{"headline":"ኢጣልያ፡ ደቂ ተባዕትዮ ስደተኛታት ካብ መራኽብ ከይወርዱ ከልኪላ","content":"መንግስቲ ኢጣልያ 250 ሰባት ካብ ክልተ መራኽብ ምድሓን ስደተኛታት ከይወርዱ ድሕሪ ምኽልካል፡ ትካላት ግብረ ሰናይ ነቲ ስጕምቲ \"ዘይሕጋዊ\" ክብላ ኰኒነናኦ። ‘ጂኦ ባረንትስ’ 215፡ ኣብ 'ሂዩማኒቲ 1' ድማ 35 ስደተኛታት ተዓጊቶም ይርከቡ። እቶም ኣብ ካታንያ ከተማ ሲሲሊ ዝርከቡ ስደተኛታት፡ ህጻናትን ሕክምናዊ ጸገም ዘለዎም ሰባትን ካብተን መራኽብ ክወጽኡ ተፈቒዱሎም እዩ፤ እቶም ዝተረፉ ግን ኣይተፈቕደሎምን። ካልኦት ክልተ ጀላቡ ምድሓን ህይወት ኣብቲ ባሕሪ ተሪፈን ኣለዋ። ሓዳስ ቀዳማይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ፡ ኣብ ልዕሊ 'ቶም ብማእከላይ ባሕሪ ዝጓዓዙ ስደተኛታት ስጕምቲ ክትወስድ ምዃና ኣጠንቂቓ ነይራ። ኢጣልያ ሓንቲ ካብተን ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ዝኣትውለን ቀንዲ ሃገራት ኰይና፡ ካብ ምጅማር እዚ ዓመት ኣትሒዙ 85 ሽሕ ስደተኛታት ብጀላቡ ናብታ ሃገር ከም ዝኣተዉ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት። ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝብገሱ ስደተኛታት፡ ብንኣሽቱን ልዕሊ ዓቐን ዝጽዓናን እዮም ዝጓዓዙ። እዚኦም መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ጭንቀት ዝኣተውን ብመራኸብ ገበርቲ ሰናይ ዝድሕኑን እዮም። ኣብታ፡ ብሰንበት ንግሆ ኣብ ትሕቲ ባንዴራ ጀርመን እትጓዓዝ ዝነበረት ሁማኒቲ 1 ዝተባህለት መርከብ ምድሓን ህይወት ዝነበሩ 144 ሰባት፡ ካብታ መርከብ ክወርዱ ተፈቒዱሎም። ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ክኣ፡ 357 ሰባት ካብታ ብ’መደስንስ ሳንስ ፍሮንቲየረስ’ (MSF) እትመሓደር ጂኦ ባረንትስ ዝተባህለት ኣብ ትሕቲ ባንዴራ ኖርወይ እትጓዓዝ መርከብ ክወርዱ ተፈቒዱሎም። ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ማትዮ ፒያንተዶሲ፡ እቶም ተቓላዕቲ ኰይኖም ዘይተረኽቡ ስደተኛታት ካብ ማያት ኢጣልያ ክወጽኡ ከም ዘለዎምን በታ \"ባንዴራ ሃገር\" ክሕብሕቡ ከም ዘለዎምን ገሊጹ። ይዅን እምበር፡ ካፕተን መርከብ ሂዩማኒቲ 1 \"ኵሎም ካብ ጭንቀት ዝደሓኑ ሰባት ክሳብ ዝወርዱ\" ካብ ወደብ ካታንያ ኣይወጽእን ምባሉ ኣካያዲ ስራሕ እታ መርከብ፡ ጀርመናዊ ገባሪ ሰናይ ትካል ኤስኦኤስ ሂዩማኒቲ ገሊጹ። ወሲኹ፡ እቲ ትካል ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ተኸታታሊ ጽሑፍ፡ \"ሕጊ ባሕሪ ንዕኡ [ንካፕተን] ንዅሎም ካብ ጭንቀት ዝደሓኑ ሰባት ናብ ውሑስ ቦታ ከብጽሖም የገድዶ’ዩ\" ኢሉ። \"ካብ ሞት ዝደሓኑ ሰባት ውልቃዊ ናይ ሓለዋ መሰል ኣለዎም፤ እዚ ድማ ኣብ መሬት ጥራይ እዩ ክግበር ዝኽእል። ነቶም ኣብ መርከብ ሂዩማኒቲ 1 ሓለዋ ዝደልዩ 35 ሰባት ካብ ግዝኣታዊ ማያት ምንጻግ ሓደ ዓይነት ሓባራዊ እምቢታ እዩ፡ ስለዚ ድማ ዘይሕጋዊ እዩ።\" ኤስኦኤስ ሂዩማኒቲ፡ እዚ ተግባር ኢጣልያ ንሕጊ ኣውሮጳን ውዕል ስደተኛታት ጀነቫን ዝጥሕስ እዩ ብምባል፡ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እታ ሃገር ሕጋዊ ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ ገሊጹ። ወሲኹ፡ ኵሎም ስደተኛታት ካብ መርከብ ክወርዱ ዘይምፍቃድ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቶም ኣብታ መርከብ ዝተረፉ ካብ መርከብ ክወርዱን ሕቶ ዑቕባ ክጅምሩን ንምፍቃድ፡ ኣብ ካታንያ እውን ሕጋዊ መስርሕ ክጅምር እዩ ኢሉ። ንመርከብ ጂኦ ባረንትስ ዘካይድ ኤምኤስኤፍ'ውን፡ ውሳነ መንግስቲ ጥልያን \"ብመሰረት ውዕላት ሕጊ ባሕሪ ሕጋዊ ውሳነ ገይርካ ኣይቁጸርን\" ክብል ነቒፉ። እቲዶብ ኣልቦ ሓካይም ኢንግሊዝፍለጥ ገባሪ ሰናይ፡ \"ስርሒት ምድሓን ህይወት  ኩሎም እቶም ዝደሓኑ ኣብ ውሑስ ቦታ ምስ ወረዱ ጥራይ እዩ ሙሉእ [ስራሕ] ገይርካ ዝውሰድ\" ክብል ወሲኹገሊጹ። ክልቲአን ገበርቲ ሰናይ ትካላት፡  ኵሎም እቶም ኣብ መራኽቦም ዝነበሩ ኣብ ባሕሪ ዝደሓኑ ሰባት ተቓላዕቲ ምዃኖም ገሊጸን። ካልኦት ክልተ ብዘይመንግስታዊ ትካላት ዝመሓደራ ጀላቡ ክቕበላአን ዝኽእላ ፍቓደኛ ዝዀና ወደባት የብለንን። ኣብታ ብጀርመን እትመሓደር 'ራይዝ ኣባቭ' 93 ሰባት፡ ኣብታ ብኣውሮጳዊ ገባሪ ሰናይ ትካል ኤስኦኤስ ሜዲተራኒ እትመሓደር ኦሽን ቫይኪን ድማ 234 ሰባት ኣለዉ። ኣርባዕቲአን ጀላቡ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ መሬት ደቂሶም፡ ሰዓል ዘስዕቡ ረኽስታት ከም ዝተቓልዑን መግብን ሕክምናዊ ናውትን ከም ዝወሓደን ጸብጺበን። ገለ ስደተኛታት ኣብተን መራኽብ ካብ ዝጸንሑ ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ኣቝጺሮም ኣለዉ። ሰብኣዊ ጕጅለታትን ክልተ ፖለቲከኛታትን ኢጣልያን ነቲ መስርሕ ብምቅዋም ናብ ሲሲሊ ተጓዒዞም ኣለዉ። \"ኵሉ ህዝቢ ሓራ ኣውጽእዎ፤ ሓራ ኣውጽእዎም\" ዝበለ ኢጣልያዊ ኣባል ባይቶ ኣቡባከር ሶማሆሮ፡ ነቲ ሓድሽ ፖሊሲ መንግስቲ \"ኢሰብኣዊ\" ክብል ገሊጽዎ። ሓዳስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ጆርጅያ ሜሎኒ ንኣባላት ባይቶ ኣብ ዘስምዓቶ ናይ መጀመርታ መደረ፡ ጉዳይ ስደት ቀንዲ ትዅረት መንግስታ ከም ዝዀነ ገሊጻ እያ። \"ዘይሕጋዊ ምብጋስን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ደው ከነብሎ ኣለና\" ዝበለት ሜሎኒ፡ \"ነቶም ካብ ኲናትን ቅትለትን ዝሃድሙ ዘለዉ ዝሓቱዎ መሰል ዑቕባ” ግን ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኰነን ኢላ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ፡ ሓላፍነት ናይቶም ኣብታ መርከብ ዘለዉ ስደተኛታት፡ እታ መርከብ ዝተመዝገበትሉ ሃገር ምዃኑ'ውን ገሊጻ።","category":"CATEGORY_ONE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cy7vzq702q7o"} {"headline":"11 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም","content":"ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጃልባ፡ ብውሕዱ 11 ሰባት ክጥሕሉ እንከለው ካልኦት 12 ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥ ተገሊጹ። ሓለዋ ገማግም ቱኒዝያ፡ ናብ ዓዲ ጥልያን ዝሰግሩ ዝነበሩ 37 ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ብሰሉስ ድሕሪ ምጥሓላ፡ 14 ሰባት ከምዘድሓነ ሓቢሩ። ቀዳም ምሸት ሓሙሽተ ተወሳኺ ኣስከሬናት ከምዝተረኽበን፡ ቁጽሪ ምውታት ናብ 11 ክብ ከምዝበለን ማእከን ዜና ቲኤፒ ኣቃሊሑ። ብመሰረት ጸብጻብ ዓለምለኻዊ ትካል ስደት፡ ዛጊት ኣብዚ ዓመት፡ ልዕሊ 1,000 ሰባት ንማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ከም ዝሞቱ ይፍለጥ። ካብቶም ከምዝሞቱ ወይ ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥ ዝተገለጹ 1033 ስደተኛታት፡ እቶም 960 ጥሒሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት። እታ ጃልባ ካብ ዞባ ኤስፋክስ ተበጊሳ ከባቢ 64 ኪሜ ንሸነኽ ሰሜን ድሕሪ ምጉዓዛ ኣብ ከባቢ ገማግም ቸባ ማህድያ ጥሒላ። ገማግም ኤስፋክስ፡ ነቶም ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት ቀንዲ መበገሲ ኮይኑ ከምዘሎ ይግለጽ። ኣብ መንጎ ምብራቓዊ ገማግም ቱኒዝያን ሲሲሊን እትርከብ ኢጣልያዊት ደሴት ላምፔዱሳ፡ ዋና መሰጋገሪ ናይ’ቶም ናብ ኣውሮጳ ንምእታው ዝፍትኑ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት እያ። ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ዶባት ኣውሮጳ፡ ፍሮንቴክስ፡ ኣብዚ ዓመት፡ ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳዕ ነሓሰ ኣብ ዝነበረ ግዜ ከባቢ 52000 ሰባት ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ኣትዮም ኣለው። እቶም ስደተኛታት ብቐንዱ ካብ ቱኒዝያ፡ ግብጺን ባንግላደሽን ከምዝነቐሉ እቲ ጸብጻብ የረድእ።","category":"CATEGORY_ONE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv21pdnx7lwo"} {"headline":"ብቕትለት 'ቲ ሞይቱ ዝተረኽበ ኤርትራዊ ሽዱሽተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም","content":"መርመቲ ገበን ስቲቭናጅ - ዓዲ እንግሊዝ፡ ምስ ቅትለት'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሞይቱ ዝተረኽበ በረኸት ሰሎሞን ዝተባህለ ኤርትራዊ መንእሰይ ብዝተኣሳሰር፡ ሽዱሽተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተው ኣፍሊጦም። ሬሳ ናይቲ ብተደጋጋሚ ብኻራ ተወጊኡ ዝተቐትለ መንእሰይ ብሓሙስ ሰዓት 07፡30 ናይ ንጉሆ ካብ ከተማ ለንደን ንሰሜን ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ስቲቭናጅ ዝተባህለ ቦታ ተረኺቡ። ወዲ 20 ዓመት በረኸት ሰለሙን፡ ትሕቲ ዕድመ ኮተቴ ኮይኑ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተወን ዑቕባ ዝተዋህቦን ምንባሩ ፖሊስ ሀርትፈርድሻየር ጠቒሱ ምንባሩ ይፍለጥ። መበገሲ ናይቲ \"ጨካን መጥቃዕቲ\" እንታይ ምዃኑ ክርድኦም ከምዘይክኣለ፡ ኣፈኛ ፖሊስ ተዛሪቡ ነይሩ። ፖሊስ ስቲቭናጅ - ዓዲ እንግሊዝ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ሓሙሽተ ሰባት ብቕትለት ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣትዉ እንከለው፣ እቲ ሻድሻዮም ድማ ነቲ ዝተፈጸመ ገበን \"ሓጊዙ\" ተባሂሉ ተጠርጢሩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ'ሎ። ሽዱሽተኦም ጥርጡራት ኣብ 20ታት ዕድመ ዝርከቡ ኰይኖም፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ኣትዮም ኣለው። ኣባል ኣሃዱ ምርመራ ዓበይቲ ገበናት ቤድፎርድሻየር፡ ኢንስፔክተር ኢያን ማክፈርሰን፡ “ብዘይካ’ዚ ማእሰርቲ ናይዞም ጥርጡራት፡ ኣብ ዙርያ ሞት በረኸት ዘሎ ጉዳያት ብግቡእ ንምጽራይ ሰፊሕ መርመራ ንቕጽል ኣለና፡” ኢሉ። ንሱ ብተወሳኺ፡ “ዝዀነ ምስክር ወይ ብዛዕባ’ዚ ፍጻመ ሓበሬታ ዘለዎን፣ ቅድሚ ሕጂ ከኣ ምስ ሓለፍቲ መርመራ ገበን ዘይተዘራረበን፡ ክመጽኣናን ሓበሬታ ክህበናን እላቦ፡” ክብል ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ። “ነቶም ቅድሚ ሕጂ ናባና ቀሪቦም ሓበሬታ ዝሃቡና ድማ፡ ንስለዝገበርዎ ምትሕብባር ከመስግን እፈቱ፡\" ኢሉ። ብዛዕባ መንነት እቶም ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ኣቲዮም ዘለው ሰባት ግን ፖሊስ፡ ዛጊት ዝዀነ መግለጺ ኣይሃበን።","category":"CATEGORY_ONE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/czqlqwg4z56o"} {"headline":"ብቕትለት በረኸት ሰሎሞን ሓሙሽተ ሰባት ብገበን ተኸሲሶም","content":"ምስ ቅትለት'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ሞይቱ ዝተረኽበ ኤርትራዊ መንእሰይ ብዝተኣሳሰር፡ ሓሙሽተ ሰባት ብገበን ቅትለት ክሲ ከምዝቐረበሎም ፖሊስ ኣፍሊጡ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብተደጋጋሚ መውጋእቲ ካራ ሞይቱ ምስ ዝተረኽበ ኤርትራዊ በረኸት ሰሎሞን ተኣሳሲሩ፡ ወዲ 23 ዓመት ጀላኒ ዑመር፡ ወዲ 23 ዓመት ሮቤል ምስግና፡ ወዲ 23 ዓመት መልኣከ ፍሰሃ፡ ወዲ 20 ዓመት ተመስገን ገብረመድህን ከምኡ'ውን ወዲ 18 ዓመት ናትናኤል ሓድጉን ምዃኖም ፖሊስ ዓዲ ኢንግሊዝ ኣፍሊጡ። እዞም ጥርጡራት፡ ኣብቲ 'ቲ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ በረኸት ሞይቱ ዝተረኽበሉ፡ ካብ ለንደን ንሰሜን ገጹ ኣብ ዝርከብ ስቲቭናጅ ዝበሃል ቦታ ዝነብሩ ምዃኖም እቲ ዝወጽአ ሓበሬታ የረድእ። እቲ ሬሳ ምስ ተረኽበ፡ ፖሊስ ናይቲ ከባቢ፡ ጠንቂ እቲ \"ጨካን መጥቃዕቲ\" ክብሉ ዝገለጽዎ ኢሰብኣዊ ቅትለትን ገበንን እንታይ ምዃኑ ክርድኦም ከምዘይክኣለን ብምሕባር፣ ንገበነኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ይሰርሑ ከምዘለው ብምግላጽ፡ ብዛዕባ’ቲ ፍጻመ ሓበሬታ ዘለዎ ዝዀነ ምስክር ክተሓጋገዞም ጻውዒት ኣቕሪቦም ነይሮም። ዓቕመ ኣዳም ቅድሚ ምብጽሑ ኣብ ብሪጣንያ ዑቕባ ሓቲቱ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቦ ወዲ 20 ዓመት በረኸት ሰሎሞን፡ ኣብቲ ዝነብረሉ ከባቢ፡ ኣብ ሓደ ኣግራብ ዝበዝሖ ጫካ’ዩ ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ካራ ተወጊኡ ሞይቱ ተረኺቡ። እቶም ዳርጋ ኣብ ተመሳሳሊ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ብቕትለት ዝተኸሰሱ ሓሙሽተ መንእሰያት፡ ጀላኒ ዖመር ካብ ፕላሽ ድራይቭ - ስቲቭናጅ፤ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሉ ሮቤል ምስግና፡ መልኣከ ፍሰሃ ካብ ማኖር ቪው - ስቲቭናጅ፤ ተመስገን ገብረመድህን ካብ ቤድዌል ክረሰንት - ስቲቨናጅን፡ ናትናኤል ሓድጉ ከኣ ካብ ሪፖን ሮድ - ስቲቨናጅን እዮም። ፖሊስ ስቲቭናጅ - ዓዲ እንግሊዝ ከኣ ኣብ ልዕሊ እዞም ብቕትለት ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘለው ሓሙሽተ ክሱሳት፡ ብቕትለት በረኸት ሰሎሞን ክሲ መስሪቱሎም ኣሎ። ሓደ ስሙ ዘይተረቝሐ፡  ነቲ ዝተፈጸመ ገበን \"ሓጊዙ\" ዝተባህለ ሻድሻይ ሰብ እውን ኣብ ቀይዲ ኣትዩ’ሎ። ኣባል ኣሃዱ ምርመራ ዓበይቲ ገበናት፡ ኢንስፔክተር ኢያን ማክፈርሰን፡ \"ኣብዚ ኣዝዩ ከቢድ እዋን ብመንፈስን ሓሳብን ምስ ስድራ ቤት መዋቲ በረኸት ኣሎ\" ክብል ናይ ሓዘን መግለጺ ሂቡ። ፖሊስ ናይቲ ከባቢ እቲ ምርመራ ይቕጽል ምህላውን፡ ዝዀነ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣለኒ ዝብል ሰብ ክተሓባበሮምን ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።","category":"CATEGORY_ONE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cz949zl6v2go"} {"headline":"ኢጣልያ፡ ዓሌትነት ማዕረ ክንደይ'ዩ ንጸለምቲ ዝድህል ዘሎ?","content":"ብዙሓት ኣብ ኢጣልያ ዝነብሩ ጸለምቲ፡ “ዓሌትነት” ኣብታ ሃገር ብዕቱብ ከም ዘይጥመት እዮም ዝገልጹ። ኣርያም ተኽለ ዝተባህለት ኢጣልያዊት-ኤርትራዊት ኣፍራይት ፊልምን ፖድካስተርን፡ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኢጣልያ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣብ ጐደና ዝሽቅጥ ስንኩል ናይጀርያዊ ኣሊካ ኦጐርቹኩዉ ዝተፈጸመ ቕትለት፡ \"ዓሌታዊ ቅትለት\" ምዃኑ ኣይትጠራጠርን። ፖሊስ ግን፡ ምኽንያት እቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ እትርከብ ከተማ ሲቪታኖቫ ማርቸ ዝተፈጸመ ቅትለት እቲ ወዲ 39 ዓመት መንእሰይ፡ ብዓሌትነት ዝተደረኸ እዩ ንዝብል ሓሳብ ይነጽግ። ኣሊካ፡ መንዲል ይሸይጥ ከምዝነበረን ተሃንዲዱ ብዝሰዓቦ ኢጣልያዊ ተሃሪሙ ከምዝሞተን’ዩ ዝንገር። ነቲ ብብርሃን ቀትሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ይርእዩ ካብ ዝነበሩ ሰባት ግን፡ ዋላ ሓደ’ኳ ክገላግል ክፍትን ኣይተራእየን። እቲ ጕዳይ ቅትለት ኣብ ዝምርመረሉ ዘሎ እዋን፡ ፊሊፖ ክላውድዮ ጁሰፐ ፈርላዞ ዝተባህለ ጻዕዳ፡ ብቕትለት ተጠርጢሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ ኣሎ። ሓደ መርማሪ ፖሊስ ከም ዝበሎ፡ ኦጎርቹኩዉ መናዲል እናሸያየጠ ነቲ ጥርጡርን መጻምድቱን ማልስ ክሓድጉሉ \"ኣጥቢቝ\" ድሕሪ ምሕታቱ’ዩ፡ መጥቃዕቲ ተፈጺምዎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ብቪድዮ ዝተቐድሐ ዘስካሕክሕ ቅትለት ጸሊም ኣፍሪቃዊ፡ ኣብ ኢጣልያ ንዘሎ ዓሌትነት ልዑል ትዅረት ክረክብ ደሪኹ እዩ። ኣብ 2016፡ ኣማኑኤል ቺዲ ናምዲ ዝተባህለ ካልእ ናይጀርያዊ ሰብኣይ፡ ኣብ ማእከላይ ኢጣልያ ኣብ እትርከብ ከተማ ፈርሞ፡ ንበዓልቲ ቤቱ ካብ ዓሌታዊ ግህሰት ድሕሪ ምክልኻሉ ከም ዝተቐትለ ይፍለጥ። ድሕሪ’ዚ ፍጻመ ድሕሪ ክልተ ዓመት - 2018፡ ካብዚ ሕጂ ሚስተር ኦጎርቹኩዉ ተቐቲሉሉ ዝበሃል ዘሎ ቦታ ኣስታት 25 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ፡ ሓደ ኣኽራሪ- ሕሉፍ የማናዊ፡ ካብ መኪናኡ ብዝኸፈቶ መጥቃዕቲ ተዅሲ፡ ሽዱሽተ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብጥይት ተሃሪሞም። ፈጻሚ’ቲ ገበን ብፖሊስ ኣብ ዝተታሕዘሉ፡ \"ቪቫ ኢጣልያ\" እናበለ፡ ንነብሱ ብባንዴራ ኢጣልያ ጠቕሊሉ፡  \"ንዅሎም ክቐትሎም\" ከም ዝደሊ ነጊሩ። ብርግጽ፡ እዚ ዞባ ‘ለ ማርቸ’ ካብ 2020 ጀሚሩ በቲ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ‘ፍራተሊ ዲ ኢጣልያ (ኣሕዋት ኢጣልያ) እዩ ዝመሓደር ዘሎ። እቲ ሰልፊ፡ ብጆርጅያ ሜሎኒ ዝምራሕ ኰይኑ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ  ምርጫ እንተተዓዊታ ናይ መጀመርታ ጓል ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ክትከውን ትኽእል እያ። እቲ ሓደ ዝዓበየ ሰልፊ ኰይኑ ክቕልቀል ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ሰልፊ፡ ኣካል ናይቲ ብማትዮ ሳልቪኒ ዝምራሕ ሰልፊ የማናዊ ሊግን ብቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሲልቪዮ በርሉስኮኒ ዝምራሕ ‘ፎርዛ ኢጣልያ’ ን ዝሓቘፈ ሰፊሕ ዓቃባዊ ግንባር ክኸውን እዩ። ኣርያም ተኽለ፡ ኣብ ኢጣልያ ጸለምቲ ሰባት ብቐጻሊ ዓሌታዊ ዓመጽ፡ ምግፋዕን ኣድልዎን ፖሊስ የጋጥሞም፡ ምምጻእ የማናውያንን ጸረ ስደተኛታት ዝዀኑ ውድባትን ድማ ዓሌትነት \"ንቡር\" ከምዝኸውን ገይሮምዎ እዮም፡ ክትብል ትዛረብ። ንሳ ወሲኻ፡ መብዛሕትኦም ኢጣልያውያን ግን፡ ዓሌትነት ኣብ ሃገሮም ክሳብ ክንድኡ ከቢድ ኣይኰነን ዝብል ኣተሓሳስባ ሒዞም እዮም ዝዓብዩ፡ ትብል። \"ኵሉ ግዜ ንሳቶም፡ 'ድንቁርና' ወይ ካልእ'ዩ እዮም ዝብሉ። ኣብ ኢጣልያ ዓሌትነት ከምዘሎ ክእመኑ ኣይደልዩን። ኣብ ኣሜሪካን ብሪጣንያ ዝኸፍአ ምዃኑ እዮም ዝከራኸሩ።\" ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣትሒዙ፡ ኢጣልያ፡ ኣፍደገ ናይቲ ኣብ ታሪኽ ዝተራእየ ጃምላዊ ስደት ብምዃን ክትፍለጥን፡ ሓንቲ ካብተን ስደተኛታት ብብዝሒ ዘረኣዩለን ቦታታት ኤውሮጳን ኰይና ኣላ። እታ ሃገር ነዚ ታሪኻዊ መቐይሮ ንምጽዋርን ስደተኛታት ኣብ ሕብረተሰብ ጥልያን ብዕዉት ኣገባብ ንምውህሃድን ክትቃለስ ጸኒሓ እያ። ኣርያም፡ ኣብ ከተማ ሚላኖ ኣብ ዝርከብ ከባቢታት ማእከላይ ደርቢ እያ ተወሊዳ ዓብያ። ስድራቤታ ኣብ ኢጣልያ ንሓሙሽተ ዕቝድ ዝጸንሑ’ኳ እንተዀኑ፡ እቲ ሕብረተሰብ [ኢጣልያ] ከም ኣካሉ ከም ዘይወስዳን ከም እትዋሰንን ትዛረብ። \"ብላህጃ ሚላኖ እየ ዝዛረብ፡ ኵሉ ግዜ ግን ካበይ ከም ዝመጻእኩ እዮም ዝሓቱኒ።” ኢጣልያ፡ ነቶም ካብ ስደተኛታት ወለዲ ዝተወልዱ፡ ብቐጥታ ኢጣልያዊ ዜግነት ምርካብ፡ ዝያዳ ዝተሓላለኸ ገይራቶ እያ። ብቐጥታ መሰል ዜግነት ዝረኽቡ ዘይኰነስ ንኸመልክቱ ክሳብ 18 ዓመት ዝኣኽሉ ክጽበዩ ኣለዎም። እዚ ድማ ዝያዳ ከም መጻእተኛታት ኰይኑ ክስምዖም ዝገብር እዩ። ኣሌስያ ረይና ዝተባህለት ተመሃሪትን ኣባል መርበብ ጸረ-ዓሌታውነትን፡ ዋላ'ኳ ኣዝያ ኢጣልያዊት እንተዀነት፡ ጸላም ብምዃና ግን ፈጺማ ኣፍልጦ ከም ዘይረኸበት ትዛረብ። ሚስ ረይና ካብ ኣፍሪቃዊ ኣሜሪካዊ ኣቦን ኣፍሮ-ፔሩቭያዊት ኣደን ኣብ ሮማ ተወሊዳ። ኣብ ጥቓ ሚላኖ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ኸተማ ኸኣ ዓብያን ተማሂራን። እንተዀነ ትምህርታ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክትቅጽል'ያ መሪጻ። ረይና፡ “ኢጣልያ ንጕዳያት መዋቕራዊ ዓሌትነት ክትፈትሖ” ድልውቲ ከምዘይኰነት ትዛረብ። ንሳ፡ ንጕዳይ ቢዩቲ ዳቪስ ዝተባህለት ናይጀርያዊት ጓለንስተይቲ ትጠቅስ። ቢዩቲ፡ ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ ኣብ ዝርከብ ካላብሪያ ኣብ ዝበሃል ከተማ ኣብ ሓደ ቤት መግቢ ሓጻቢት ሸሓውንቲ ኰይና ትሰርሕ ኰይና፡ ደሞዛ ብምሕታታ ብጽፍዒት ዝተሃርመት እያ። \"ክትክፈል ጥራይ እያ ሓቲታ፡ እንተዀነ ጽፍዒት ወሪዱዋ። ጻዕዳ ጓለንስተይቲ ብኸምኡ ዓይነት ትጥቃዕ ኣይመስለንን፡\" ትብል ረይና። እታ ተዓዋቲት ሽልማት ዝዀነት ኢጣልያዊት-ሶማላዊት ጸሓፊት ልብ-ወለድ ኡባ ክርስቲና ዓሊ ፋራሕ እውን ተመሳሳሊ ኣረኣእያኣ ትገልጽ። ንሳ፡ እቶም ብዛዕባ መግዛእታዊ ታሪኽ ሃገሮምን፡ ኣብ ተመኵሮታት ዘይጸዓዱ ኢጣልያውያን ብኸመይ ጽልዋ ከሕድር ከም ዝኽእልን ዝፈልጡ ኣዝዮም ውሑዳት ምዃኖም ትዛረብ። ኢጣልያ፡ ንኤርትራ፡ ሶማልያን ሊብያን ገዚኣ፤ ኣብ 1930ታት ኣብ ትሕቲ ፋሽሽታዊ ስርዓት ቤኒቶ ሙሶሊኒ እውን ንኢትዮጵያ ጐቢጣ ነይራ እያ። ስድራቤት ኡባ ዓሊ ፋራሕ ኣብ ኢጣልያ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ዝነበሩ’ኳ እንተዀኑ፡ \"ነቶም ምስ ኢጣልያ መግዛእታዊ ምትእስሳር ዘለና’ኳ ከም ኢጣልያውያን ኣፍልጦ ዘይሃቡናስ፡ ከመይ ገይሮም እዮም ነቶም ብጀላቡ ባሕሪ ሰጊሮም ዝኣትዉ ዘለዉ ኣፍልጦ ክህብዎም?\" ትብል።","category":"CATEGORY_ONE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c51202w7379o"} {"headline":"ኤርትራዊት ስደተኛ፡ ኣኻውሕ ኣብ ዝበዝሖ ደሴት ግሪኽ ሓሪሳ","content":"ሓንቲ ኤርትራዊት ስደተኛ፡ ኣብ ከባቢ ሌስቦስ ግሪኽ ኣብ ዝርከብ ሰብ ዘይነብረሉ ኣኻውሕ ዝበዝሖ ደሴት ከም ዝሓረሰት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቓሊሐን። እታ ጓል ኣንስተይቲ ምስ ካልኦት ካብ ቱርኪ ዝመጹ ስደተኛታት ኣብ ጕዕዞ እንከላ’ያ ሓሪሳ። ሓደ ኣባል ሰብመዚ ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ፡ 29 ኤርትራውያን ማለት 24 ደቂ ተባዕትዮን 5 ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ጥቓ ምብራቓዊት ደሴት ሌስቦስ ግሪኽ ከም ዝተራእዩ ሓቢሩ። ሓንቲ ካብተን ደቂ ኣንስትዮን፡ ባዕላ እታ ሓራስ’ያ ነይራ። እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብኣባላት ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ድሒኖም ናብ ሌስቦስ ተወሲዶም ኣለው። እታ ኣደን እቲ ዕሸልን ኣብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም ከምዘሎ፡ ካብቲ ቦታ ዝተዘርግሐ ዜና ሓቢሩ። \"እታ ኣደን ውላዳን'ውን ኣብ ጽቡቕ ጥዕና ኣለዉ\" ክብል ሓደ በዓል ስልጣን ግሪኽ ሓቢሩ። እቶም ስደተኛታት፡ ካብ ሌስቦስ ንምብራቕ ኣስታት ሰለስተ ኪሎሜተር፡ ካብ ገማግም ባሕሪ ቱርኪ ኣስታት 20 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ደሴት ባርባልያስ እዮም ተረኺቦም። ሰበስልጣን እቲ ከባቢ፡ እቲ ውላድ፡ ወዲ ምዃኑ ገሊጾም ኣለው። ሚኒስተር መጓዓዝያ ባሕሪ ጂያኒስ ፕላኪዮታኪስ፡ “ሓንቲ ኣብታ ኣኻውሕ ዝበዝሓ ደሴት ዝሓረሰትን፡ ስነ-ምግባር ብዘይብሎም ኣሰጋገርቲ ዝተደርበየትን ኣደን ውላዳን ንዘድሓኑ ሓለፍቲን ኣባላትን ሓለዋ ባሕሪ እንቋዕ ሓጐሰኩም” ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ’ሎ። ሌስቦስ፡ ብፍላይ ኣብ 2015 ክሳብ 2016 ኣብ ዝነበረ ቅልውላው፡ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታትን ካብ ዒራቕን ሶርያን ካልኦት ቦታታትን ካብ ኲናት ኣብ ዝሃደሙሉ እዋን፡ መእተዊት ኣፍደገ  ሕብረት ኤውሮጳ ኰይና እያ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርከብዎም ኣፍሪቃውያን’ውን ናብ ኤውሮጳ ንምእታው ካብ ቱርኪ ናብ ግሪኽ ከም ዝኸዱ ይግለጽ።","category":"CATEGORY_ONE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyd3jjmp8rpo"} {"headline":"ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኣለምዋጭ ክልል ኣምሓራ ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ከምዘለው ይገልጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብሰንኪ ክራማት ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ወዲቖም ከምዘለው ገሊጾም።","category":"CATEGORY_ONE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c04kp8lk3v3o"} {"headline":"ስደተኛታት ካብ ብሪጣንያ ናብ ርዋንዳ ንምምላስ ዝተሓሰበ በረራ ተሰሪዙ","content":"ካብ ብሪጣንያ ናብ ርዋንዳ ስደተኛታት ንምምላስ ክትበርር ተዳልያ ዝነበረት ነፋሪት፡ ብምኽንያት'ቲ ትማሊ ሰሉስ ኣማስያኡ ዝተመሓላለፈ ውሳነ ቤት ፍርዲ በረርኣ ተሰሪዙ። ክሳብ ትማሊ ብዝነበረ ኵነታት ኣስታት 7 ስደተኛታት ጥራይ ናብታ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክምለሱ ትጽቢት ይግበር ነይሩ። እንተዀነ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ ድሒሩ ብዝገበሮ ምትእትታው፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ሓድሽ ክትዓት ብምጅማሩ ናብ ምስራዝ በረራ ተበጺሑ'ሎ። ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ፕሪቲ ፓተል \"ከም ዝጓሃየት\" ብምግላጽ፡ \"ንቐጻሊ በረራ ካብ ሎሚ ቅድመ ምድላው ከም ዝጅመር\" ኣፍሊጣ። ጀምስ ዊልሰን ዝተበሃለ ሓደ ካብ ኣባላት ጕጅለ ጐስጓስ 'ዲቴንሽን ኣክሽን' ብወገኑ እዚ ምትእትታው ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ፡ እቲ ናብ ርዋንዳ ዝግበር ምጥራዝ \"ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ከምዝዀነ ዘርኢ እዩ፡\" ኢሉ። ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ፡ እቲ ፖሊሲ ምምላስ ስደተኛታት ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ምሉእ ብምሉእ ኣድቒቅካ ክሳብ ዝምርመር ዋላ ሓደ ሰብ ተገዲዱ ናብ ነፋሪት ክድይብ ከምዘይብሉ ዘገናዘበ ምዃኑ'ውን ጀምስ ኣረዲኡ። እቲ ምስራዝ በረራ ብድሕሪ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ብሪጣንያ ንመዓልታት ክካየድ ዝጸንሐ ክትዓትን ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ንገለ ካብቶም ሓተትቲ ዑቑባ ከግዕዝ ፍቓድ ምስረኸበን ዝሰዓበ እዩ። ብኣስታት 500 ሽሕ ፓውንድ ወጻኢ ንፍሉይ በረራ ዝተዳለወት ቦይንግ 767 ካብቲ ኣብ ዊልሻየር ዝርከብ ወተሃደራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ሰዓት 22፡30 [ብኣቈጻጽራ ሰዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ ፍርቂ ለይቲን 30 ደቒቓን] ክትብገስ ኣብ ናይ መወዳእታ ሰዓታት በፂሓ ምንባራ ተፈሊጡ'ሎ። ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ ግን ሰዓት 19፡30 ሓደ ስደተኛ ካብ ምጥራዝ ክተርፍ ውሳነ ሂቡ ነይሩ። ነዚ ውሳነ ስዒቡ ከኣ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ለንደን ሰፊሕ ክትዓት ተላዒሉ። ሰዓት 22፡15 [በረራ 15 ደቒቕ ምስ ተረፎ] ድማ ኵሎም ተሳፈርቲ ካብታ ነፋሪት ክወርዱ ተገይሩ። ሽዑ እታ ነፋሪት ናብ ስፐይን ተመሊሳ። እቲ ዒራቃዊ ከምዝዀነ ዝተሓበረ ሓታቲ ዑቑባ ኣብታ ናብ ርዋንዳ እትበርር ነፋሪት ክኣቱን ክጓዓዝን እንተ ተገይሩ፡ \"ምምላስ ዘይከኣል ሓደጋ\" ከምዘንፀላልዎ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ ኣጠንቂቑ'ዩ። ቤት ፍርዲ ለንደን ድማ እቲ ውልቀሰብ ኣብ ርዋንዳ ኮይኑ ንጉዳዩ ብምክትታል እንተ ተዓዊቱ፡ ዳግም ናብ ብሪጣንያ ዝምለሰሉ ዕድል ክህሉ ከምዝኽእል ሞጒቱ። ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ ግን እቲ ሓታቲ ዑቑባ ሓንሳብ ናብ ርዋንዳ ምስ ኣተወ ክምለስ ዝኽእለሉ ሕጋዊ መርትዖ ከምዘየለ ብምግላፅ ተኻቲዑ።","category":"CATEGORY_ONE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cx877drw28do"} {"headline":"ኣብ መዓስከር ስደተኛታት በራሕለ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሑድ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ተቐቲሎም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ሰሜናዊ ምብራቕ ክልል ዓፋር ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብውሑድ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝተቐተሉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ከምዝተፈጸመ እዩ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ዘሎ። ኣብቲ ክልል ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ክልል ዓፋርን ኲናት ቀጺሉ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ፈለማ ወርሒ ጥሪ ኣብ ትግራይ መዓስከር ስደተኛታት ማይዓይኒ ብዝተፈፀመ ደብዳብ ኣየር፡ ሰለስተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝተቐተሉ ኣፍሊጡ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ ብምኽንያት እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ስደተኛታት ዒላማ ክኾኑ ከምዘይግባእ ምግላጹ ይዝከር። ኲናት ትግራይ ኣብ ዝተጀመረሉ ቅድሚ 15 ኣዋርሕ ልዕሊ 100 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ተዓቚቦም ዝነበሩ ኮይኖም፡ ድሕሪ እቲ ኲናት ግን ብኣሻሓት ዝቑጽሩ ስደተኛታት ኣበይ ከምዘለዉ ኣይፍለጥን። ካብ ፖለቲካዊ ጸቕጥን ግዱድ ዕስክርናን ዝሃደሙ ኤርትራውያን ንዓመታት ኣብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ኣብ መዓስከራት ተቐሚጦም'ዮም። ኮይኑ ግና ድሕሪ እቲ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ናብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ዝተጋፈሐ ጎንጺ ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣብ መንጎ ኲናት ተቐርቂሮም። እቶም ስደተኛታት ንመንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ኣብ ኲናት ትግራይ ብዝተሳተፉ ወታሃደራት ኤርትራ ከምኡ ድማ ሰራዊት ትግራይ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞም ተገሊጹ እዩ። ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት በራሕለ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብውሑድ ሓሙሽተ ስደተኛታት ከምዝተቐተሉን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ከምዝተጨወያን ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ። በቲ ዝተፈጠረ ዕግርግር ብዙሓት ሰባት ነቲ መዓስከር ገዲፎም ከምዝሃደሙን ሓያሎ ስድራቤታት ከምዝተጠፋፍኡን እውን እቲ ትካል ገሊጹ። ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ሰሜን ኢትዮጵያ ወታሃደራዊ ጎንጺ ከምዝነከየ'ኳ እንተተገለጸ፤ ኣብቲ ብሓይልታት ትግራይ ወራር ከምዝተፈጸሞ ዝገልጽ ክልል ዓፋር ግን ኲናት ቀጺሉ ከምዘሎ እዩ ዝንገር። ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም ብመንግስቲ ኤርትራ ብዝድገፉ ሓይልታትን ሓይልታት ክልል ዓፋርን መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞምን ነቶም ሓይልታት ንምብታን ናብ ዓፋር ዘሊቑ ምእታዉን ይገልጽ። ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ግን ብዛዕባ እቲ ዝቐረቦ ክሲ ዝሃቦ መብርሂ የለን።","category":"CATEGORY_ONE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60432864"} {"headline":"ሩዋንዳ፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 120 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ተቐቢላ","content":"ሩዋንዳ፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 120 ዝዀኑ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ከምዝተቐበለት ኣፍሊጣ። እዞም ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ክሳብ ትሕቲ ሓደ ዓመት ዕድመ ዝረከቦም ቈልዑን ዘለውዎም ስደተኛታት፡ ካብ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ድቡብ ሱዳንን ሶማልያን ኰይኖም፣ ኣብዚ ዓመት ብኸምዚ ዓይነት መገዲ [ካብ ሊብያ ንሩዋንዳ] ዝሰጋገሩ ዘለው ቀዳሞት ጕጅለ ስደተኛታት እዮም። መብዛሕትኦም ካብዞም ስደተኛታት፡ ኣብ ማእከል ክፋል ርእሰ ከተማ ሊብያ - ትሪቡሊ ዝነብሩ ዝነበሩ ኰይኖም፡ ካልኦት ድማ ብኣልማማ ተገፊፎም ንሓያለ ኣዋርሕ ኣብ ማሕዩር ዝጸንሑ እዮም። እዞም ሰሉስ ምሸት ዝተሰጋገሩ ጕጅለ፡ ምስቶም 'ጋሾራ' ኣብ ዝበሃል መዕቈቢ ስደተኛታት ሩዋንዳ፡ ብላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝእለዩ ዘለው፡ 269 ሓተቲ ዑቕባ ክጽንበሩ እዮም። \"እዚ መስርሕ ምስግጋር ስደተኛታት ካብ ሊብያ፡ ነቶም ገና ኣብ ሊብያ ተዓጊቶም ዘለው ተስፋን ውሕስነትን ዝፈጥር እዩ፡\" ይብል ሓላፊ ተልእኾ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ፡ ጃማል ዛሞም። እቶም ኣብ ሓያለ ማእከላት ስደተኛታት ሊብያ ተሓዪሮም ዝጸንሑ ስደተኛታት፡ ንሰቘቓ፡ ዓመጽን፡ ጕድለት-ሓነዅ [malnutrition]፡ ከምኡ'ውን ንከም ቲቢ ዝኣመሰሉ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ተቓሊዖም ዝጸንሑ እዮም። ጕጅለ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ እቲ ኵነታት \"ኣሰቃቒ\" ን \"ኢሰብኣውን\" ኢሉ ገሊጽዎ ነይሩ። ሰበስልጣን ሊብያ ነዚ፡ ነተን ኣብ 2019 ዝተዓጽዋ ሰለስተ ማእከላት ማሕዩር፣ ኣብ ሚስራታ፡ ታጁራን ኾምስን ከም ኣብነት ጠቒሶም ግብረመልሲ ሂቦምሉ። ሩዋንዳ፡ ድሕሪ'ቲ ምስ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ኣብ መፋርቕ 2019 ዝኸተመቶ ስምምዕ፡ ክሳዕ ሕጂ ልዕሊ 900 ስደተኛታት ተቐቢላ'ላ። ሊብያ፡ ንዓመታት ቀንዲ መሰጋገሪ 'ቶም ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝሕልኑ ስደተኛታት ኰይና እያ ጸኒሓ። መብዛሕትኦም ከኣ ብመገዲ ሊብያ ንባሕሪ መዲተራንያን ክቘርጹ ዝፍትኑ እዮም። ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት፡ ካብ ምጅማር እዚ ዓመት'ዚ ጥራይ፡ ልዕሊ 215 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ከም ዝሞቱ፡ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊርዎ'ሎ።","category":"CATEGORY_ONE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60897508"} {"headline":"ሳሙኤል ሃብተ፡ ንፍሉጣት ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ዝቐምቀመ ሜዳልያታት ዝተሸለመ ኤርትራዊ","content":"ከም ኩሎም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን፡ ናብ ስደት ምስ ኣምርሐ ቀልጢፉ ርእሱ ንምኽኣል ፋሕተርተር ኣይገደፈን። ኣብ ጉዕዞ ስደቱ ንወጻኢታቱ ብምሽፋን ርእሱ ዝኽእለሉ ዕድላት ሃሰው ክብል ምስ ጀመረ፡ ኣታዊ ክረኽበሉ ዝኽእል ዝነበረ ኣብ ሰራዊት ኤርትራ ዘጥረዮ ፍሉይ ክእለት ኮይኑ ረኺቢዎ። እቲ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነበረ ሳሙኤል ሃብተ፡ ኣብ ሰራዊት ምስ ብጾቱ ንሓድሕዶም ይቀማቐሙ ከምዝነበሩ ብምግላጽ፡ ውሕሉል ቀምቃማይ ክኸውን መሰረት ዘንጸፈሉ ምንባሩ'ዩ ዝዛረብ። ቅድሚኡ'ውን ወላዲኡ ኣብ ገዛ ይቕምቅሞ ምንባሩ፡ ኣፋፍኖት ከሕድርን ከምዝካኣል ክፈልጥን ሓጊዙዎ'ዩ። ኣብቲ ፈለማ ዝኣተዎ ሃገረ ሱዳን ድማ ንፈለማ እዋን \"ከም ፕሮፈሽናል\" መቐስን ማሽንን ብምምላኽ ንመጓዕዝቱን ካልኦትን ኣገልግሎት ክህብ ጀሚሩ። ናብራ ስደት ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ናብታ ናይ መወዳእታ መዕለቢቱ ዝኾነት ብሪጣንያ ምስ ኣተወ ኸኣ ናብራ ስደት ሀ . . . ኢሉ ጀሚሩዎ። ብዙሓት ካብቶም ኣብ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብቲ ኣህላኺ ዝኸነ ናይ ጉልበት ስራሓት ብትሑት ደሞዝ ይሰርሑ። ኣብ ፋብሪካታት፡ መኽዘናት፡ ህንጻን ናይ ኣገልግሎት ትካላትን ገለ እቶም ስደተኛታት ናይ ስራሕ ዕድላት ዝረኽብሎም ክፋላት ቁጠባ'ዮም። ሳሙኤል፡ ፈለማ ናብታ ዝነብረላ ዘሎ ከተማ ማንቸስተር ምስ ኣተወ ዘጋጠሞ ዕጫ'ውን ካብዚ ወጻኢ ኣይነበረን። \"ኣብዚ ምስ መጻእኩ፡ ምስ ራኣኹዎ ኩነታት ናይዚ ዓዲ፡ ተቖጺርካ ምስራሕ፡ ኣብ ፋብሪካታት ምስራሕ ምስ ራኣኹዎ እቲ ውጽኢቱ ቁሩብ መጽናዕቲ ገይረ: 'ኣብዚ ይሕሸኒ' ኢለ ተበጊሰ፡ ምቕምቃም ክቕጽሎ ወሲነ\" ብምባል ስለምንታይ ኣብቲ ሞያ ክቕጽል ከምዝተደረኸ ይዛረብ። ፈለማ ብንእሽቶይ ኣብ ሓደ ካልኦት ቀምቀምቲ ዝሰርሕሉ ዕዳጋ ነቲ ስራሕ ከምዝጀመሮ ዝገልጽ ሳሙኤል፡ ቅድሚ 12 ዓመታት ነዛ ሕጂ ዝሰርሓላ ዘሎ ኣብ ማእከል ከተማ እትርከብ \"ዲሰንት ካት\" (ምዕሩግ ምቕምቃም) ዝተባህለት እንዳ-ቐምቃማይ ጸጉሪ ከፊቱ። ንርእሱን ካልኦትን ናይ ስራሕ ዕድል ዝኸፈተ ትካል እዚ ኣብ ሓደ ፍሉጥ ዕዳጋ (ኣርንዴል ሞል) ዝርከብ ትካል፡ ብቕዓቱ ዝሓለወ ኮይኑ፡ ሓደ ካብ ፍሉጣት እንዳ-ቀምቃማይ ክኸውን ዝበቕዐ'ዩ። እቲ ብሓንቲ መቐስ ዓቢ ሞያ ዘጥረየ ሳሙኤል፡ ሓለቓ ርእሱ ኮይኑ፡ ንካልኦት'ውን ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ ይርከብ። ሎሚ ኣብታ ትካል ኣስታት 10 ሞያውያን ቀምቀምቲ ተቖጺሮም ይሰርሑ ኣለዉ። ሓያሎ ካብኦም ኤርትራውያን ክኾኑ እንከለዉ፡ ኩርዲስታናውያን፣ ብራዚላውያን፣ ህንዳውያንን ቻይናውያንን ዝርከብዎም ካልኦት'ውን ኣብታ ትካል ተቖጺሮም ሰሪሖምን ይሰርሑ ኣለዉን። ብዙሓት ካብቶም ኣብታ ትካል ተቖጺሮም ዝሰርሑ ዝነበሩ ቀምቀምቲ'ውን፡ ናይ ባዕሎም ተመሳሳሊ ትካላት መስሪቶም ይሰርሑ ከምዘለዉ ሳሙኤል ይሕብር። \"ኣብ ውሽጢ 12 ዓመት፡ ብዙሓት ካብዚ ወጺኦም ናቶም ዝገበሩ ሰራሕተኛታት ኣለዉ . . .ኣብዚ ካባቢ መንቸስተር ጥራይ 14 እንዳ ቐምቃማይ ኣለዋ፡ ገለ ሸውዓተ ዝኾና ኣብ ውሽጢ ማንቸስተር ኣለዋ፡ ገሊኦም ክኣ ውጽእ ኢሎም\"። \"ብዙሓት ዓሌት ኣብዚ ገዛ ሰሪሖም'ዮም፡ ምኽንያቱ ንሕና ንናትና ዓሌት ጥራይ ኣይኮናን ነሕጽር\" ዝብል ሳሙኤል፡ ሰራሕተኛታቱ ንዝተፈላለየ ዓይነት ጸጉሪ ክቕምቅሙ ዝኽእሉ ምዃኖም፡ ሓደ ካብ ምስጢራት ዓወቱ ምዃኑ'ዩ ዝዛረብ። ኣብ ሰለስተ ውሉድ ዝኾነ ሳሙኤል፡ ምስ ቢቢሲ ቃለመሕትት ኣብ ዝገበረሉ እዋን'ኳ፡ ወሓለ ኣእዳዉ መቐስን ማሽንን ክሕዛ እንተ ተገደዳ፡ ከም ኣካያዲ እታ ትካል ቀንዲ ስርሑ ኣብ ምምሕዳር'ዩ ተጸሚዱ ዘሎ። ዋላ'ኳ መንግስቲ ኣብ ምኽፋል ደሞዝ ሰራሕተኛታት እንተደገፎም፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘስዓቦ ዕጽዋን እገዳታትን ሃስያ ከምዝነበሮ ዝገልጽ ሳሙኤል፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ስራሕ ናብ ንቡር ከምዝተመልሰ ተዛሪቡ። ዋንጫን ሜዳልያታትን ሳሙኤል፡ ኣብዚ ናይ ኣስታት 15 ዓመታት ሞያዊ ስርሑ፡ ዳርጋ ካብቶም ኣብ ትካሉ ዝተቐምቀሙ ብሉጻት ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ዘይንእስ ዋንጫታትን መዳልያታትን ዝዓተረ ቀምቃማይ ክኸውን ዝበቕዐ'ዩ። ኣብታ ብዓማዊል መሊኣ ዝረኸብናያ ማእከሉ፡ መዳልያታት፣ ዋንጫታት፣ ምስክር ወረቐትን ስእልታትን ተሰቒሉ ይርአ። ኣብ ዝተፈላለዩ ውድድራት ምቕምቃም ጸጉሪ ብምስታፍ ንዝረኸቦም ሃገራዊ ኣፍልጦን ሽልማትን ዘረጋግጹ ድማ'ዮም። ፍሉይ ቅርጽታት ('ፓተርን ዲዛይን') ብምትእትታው ዝፍለጥ ሳሙኤልን፡ ኣብ 2012 ኣብ ዝተኻየደ ኦሊምፒክስ ብዘቕረባ ዲዛይን ቀዳማይ ደረጃ ብምዃን ዋንጫ ዓቲሩ። \"ናይ ብላክ ፑል ኦሊምፒክ ቻለንጅ ብቀዳማይ ደረጃ ዋንጫ ተዓዊተ . . .ኣብኡ ጥራይ ኣይተሓጽረን፡ ካብ 2010 ጀሚረ ናብ ውድድር ምስታፍ ቀጺለዮ፡ ምኽንያቱ ንቢዝነስ ሓጋዚ ስለዝኾ\"። \"ኣብዚ ዓዲ፡ እንታይ ኣለካ'ዮም ዝኣምኑ፡ ኣብ ኣድቨርታይዝመንት፡ ጽሑፍ ብዙሕ'ዮም ዝኣምኑ። ማለትሲ፡ ክኢለ ጥራይ ኢልካ ናይ ዝቐምቀምካ ኣይኮነን፡ ክሳብ ክደፍኦ ትኽእል እቲ ክእለትካ ከተሪኦም ኣለካ። ብኣድቨርታይዝመንት'ዩ ሰብ ዝሰርሕ ብሓጺሩ ኣብዚ ዓዲ\"። በዚ መሰረት ብመንገዲ ኦንላይን መርበብ ሓበሬታ ብምኽፋትን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ንትካሉን ክእለቱን የፋልጥ። ኣብ 2015 ሳሙኤል ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ (ኢንግላንድ) \"በሉጽ ቀምቃማይ\" ብምዃን'ውን ተዓዊቱን ኣፍልጦ ረኺቡን። በዚን በቲ ውጺኢታዊ ዝኾነ ትካሉን ዝተተባብዐ ሳሙኤል ሃብተ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ንክእለቱ ናብ ዝቕጽል ደረጃ ንምዕባይ ይሸባሸብ ኣሎ። እቲ ንባዕሉ'ውን ቅድሚ ሕጂ ኮርስ ከምዝወሰደ ዝዛረብ ሳሙኤል፡ ግዱሳት ገንዘብ ከፊሎም ዝስልጥንሉ ፍሉይ ቤት-ትምህርቲ ምቕምቃም ጸጒሪ (ባርበር ኣካዳሚ) ብምኽፋት፡ ንግዳዊ ንጥፈታቱ ከስፍሕ ይዳሎ ኣሎ። \"ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኮርስ ምሃብ ክንጅመር ኢና። ንሱ ምስተኸፍተ፡ ካብኡ ንኔው፡ ነቲ ትካል ፍራንቻይዝ [ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝኽፈት] ምግባር ክንጅምር ኢና\"። እዚ ማለት፡ ኣብ መጻኢ ተመሳሰልቲ ትካላት ምቕምቃም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ማንቸስተር ከም'ውን ካልኦት ከተማታት ክቦቚላ ይኽእላ'የን፡ መን ይፈልጥ ኪኖኡ'ውን ይብጻሕ ይኸውን። እቲ ናይ ምስፋሕ መደብ ግን ኣብ ምቕምቃም ዝተሓጽረ ጥራይ ኣይኮነን። ብንኡሱ ኣብ ናይ ስድርኡ ትካል ንግዳዊ መንቆቛሕታ ንግዲ ዝረኸበ ሳሙኤል፡ ምስ መሻርኽቱ ብምዃን ንኣሽቱ ናይ መግቢ ክሽነታት ('ቴክ ኣወይ') ከፊቶም ኣለዉ። እቲ ሓደ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ፡ እቲ ካልኣይ ድማ፡ ኣብ ሓደ ናይ ዝተፈላለዩ ሃገራት ባህላዊ መግቢ ዝሽየጠሉ ዕዳጋ ከፊቶም ኣለዉ። ነዚ ምስፋሕ'ውን ሓደ ካብ ሕልምታቱ'ዩ። ኣብቲ ትካል ካብ ዝተቐምቀሙ ህቡባት ውልቀሰባት ኣብ ከተማ ማንቸስተር ኣዝዩ ህቡብ ዝኾነ ትካል 'ዲሰንት ካት'፡ ፍሉጣት ውልቀሰባት ነበርቲ እታ ከተማ ዘዘውትርዎ'ዩ። ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት፡ ሓደ ውሩይ ወልቀሰብ ዝዘገፈ ጸጉሩ ንከሕጽር ናብታ ትካል መጺኡ ከምዝነበረ ሳሙኤል ይዝክር። ንሱን መሳርሕቱን፡ ንዓማዊሎም ብሓደ ዓይኒ ዝርእዩ ስለዝኾኑ፡ መንነቶም፡ ደረጃኦም ይኹን ስርሖም ዘድህብሉ ነገር ኣይኮነን። ሓደ መዓልቲ ግን፡ እቲ ውሩይ ውልቀሰብ ናብኦም ምስ መጸ፡ ብዙሓት ሰባት ተኸቲሎሞ ናብ ኣፍደገ እቲ ትካል መጺኦም። ብሰንኩ ድማ እቲ ውልቀሰብ፡ ዝረኸቦ 'ምዕሩግ ምቕቃም' ካብ ዓይኒ ደገፍቱን ኣድነቕቱን ክሰትሮ ስለዘይክእል፡ ብዝኣተዎ ክወጽእ ኣጸጋሚ ኮይኑ። \"ሓደ ግዜ መን ምዃኑ ኣይዝክሮን'የ ስሙ፡ ኣብዚ ምስ በጽሐ ብዙሓት ሰባት ደድሕሪኡ መጺኦም፡ [ምስ ተቐምቀም] ድማ፡ ብድሕሪት ገይርና ኣህዲምና'ዮ፡ ምኽንያቱ ክንቆጻጸሮ ኣይክኣልናን እቲ ኩነታት\" ብምባል ሳሙኤል ነቲ ፍጻመ ይዝክሮ። እታ ሳሙኤል ኣዝዩ ከምዝፈትዋን ከምዝተሰማምዓቶን ዝገልጻ ከተማ ማንቸስተር ካብ እትፍለጠሉ ዓበይቲ ነገራት ሓደ ኩዕሶ እግሪ'ዩ። ኣብታ ከተማ ክልተ ካብ ዓበይቲ ክለባት ፕሪሜርሊግ ዓዲ-እንግሊዝ ኣለዋ- ብሓደ ጫፍ ማንቸስተር ዩናይትድን በቲ ካልእ ድማ ማንቸስተር ሲቲ። ክልቲአን ጋንታታት ዓበይቲ ኮዋኽብቲ ተጻወቲ ዝርከቡለን ድማ እየን። ቅርጺ ኣቀማቕማ ጸጒሪ ድማ ሓደ ካብቶም ንመንነትን ገጸ-ባህሪን ናይቶም ተጻወቲ ዝገልጹ'ዮም። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ናብ ዝበለጸ እንዳ-ቀምቃማይ ከምዝኸዱ ርዱእ'ዩ። ገለ ካብቶም ናብ ሳሙኤልን ሰራሕተኛታቱን ዝመጹ ብሉጻትን ፍሉጣትን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ እቲ ዲዛይን ጸጒሪ ርእሱ ዝልለ ጸሊም ኢጣልያዊ ማርዮ ባለቶሊ ይርከቦም። ኣብ መንደቕ 'ኪሰንት ካት' ዝተሰቕለ ሳሙኤልን እቲ ብፍሉይ ጠባዩ ዝፍለጥን ኣብ ሓደ እዋን ምስ ማንቸስተር ሲቲ ዝጻወት ዝነበረ ባለቶሊን ብሓባር ዝተሳእልዎ ኣብ ፍሬም ዝኣተወ ስእሊ ድማ ንመዘከርታ ተሰኒዱ ዘሎ'ዩ። ምስ ሲቲ ዝጻወቱ ዝነበሩ ክልቲኦም ደቂ ቱረ፡ ማለት ያያ ቱረን ኮሎ ቱረን'ውን ካብቶም ብቐጻሊ ኣብኡ ዝቕምቀሙ ዝነበሩ ውሩያት ኣፍሪቃውያን ተጻወቲ'ዮም። ከም ብዓል ፖርቱጋላዊ በርናርዶ ሲልቫ ዝበሉ ሓያሎ ካልኦት'ውን ውሕሉላት ኣእዳው ሳሙኤልን መሳርሕቱን ጥዒሞም'ዮም። \"ብዙሕ ከተወዓውዖ የብልካን እምበር፡ መጺኦም ከም ኖርማል ሰብ ተቐምቂሞም'ዮም ዝኸዱ። ገለ ዝፈልጥዎም ሰባት እንተዘይረኺቦም፡ ከም ኖርማል ሰብ ተኸዲኖም፡ ዋላ እቲ ዝኸፍልሉኻ ገንዘብ፡ እቲ ዘድልዮም ሒዞም'ዮም ዝመጹ\" ይብል ሳሙኤል። ኣብዚ እዋን'ዚ ናብታ ናይ ቀደም ክለቡ ማንቸስተር ዩናይትድ ዝተመለሰ ክርስትያኖ ሮናልዶ ውልቃዊ ሓላዊ'ውን ኣብቲ ትካል ጸጉሩ ይቕምቀም ከምዝነበረን፡ ሮናልዶ ናብ ማንቸስተር ምስ ተመልሰ'ውን ሰላም ክብሎን ከምዝመጸን ሳሜኤል ይዛረብ። ናብቲ ማእከል ከተማ ክመጹ ዘይደልዩ ካልኦት ፍሉጣት ውልቀሰባት'ውን ናብቲ ዘለውዎ ከይዶም ዝቐምቀምዎም ከምዘለዉ ገለ ካብ ሰራሕተኛታት ናይቲ ትካል ጠቒሶም።","category":"CATEGORY_ONE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61034069"} {"headline":"ኣብ ትግራይ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት 'ፈሪሖምን ዝብላዕን ስኢኖምን' ከምዘለዉ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ","content":"ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ሳምንታት ኣብ መዓስከራት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሹን ልዕሊ 20 ስደተኛታት ብምኽንያት ሕጽረት መድሃኒትን ኣገልግሎት ጥዕናን ከም ዝሞቱ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሊጹ። ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብተን መዓስከራት ዝርከባ ክሊኒካት ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ዝነበረን ቀረባት መድሃኒት ከም ዝተወድአ ብምጥቃስ ምክልኻል ብዝክኣሉ ሕማማት ናይ ዝሞቱ ሰባት ቑጽሪ ይውስኽ ኣሎ ኢሉ። ኣባላት ናይቲ ትካል ድሕሪ'ቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ናብ መዓስከራት ስደተኛታት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ከምዝበጽሑ ብምግላጽ፡ ኩነታት ናይቶም ስደተኛታት ህጹጽ መፍትሒ እንተዘይረኺቡ ቁጽሪ ዝሞቱ ክውስኽ'ዩ ክብል ኣጠንቂቑ። \"እቶም ስደተኛታት ፈሪሖም፡ ዝብላዕ ንምርካብ ተጻጊሞም፡ መድሃኒታት ስኢኖምን ጽሩይ ማይ ተሓሪምዎን\" ከምዝረኸብዎም ጠቒሱ። \"ስደተኛታት ጆሆ ናይዚ ግጭት ክኾኑ የብሎምን\" ክብል ድማ እቲ ንመሰላት ስደተኛታት ንምሕላዉ ዝቖመ ትካል ተማሕጺኑ'ሎ። ሕጽረት ነዳዲ ብምህላው፡ እቶም ስደተኛታት ካብ ወሓዚ ሩባታት ዝስተ ማይ ይጥቀሙ ብምህላዎም ስግኣታት ማይ-ወለድ ሕማማት ከም ዘለው ዝጠቐሰ እቲ መግለ:ጺ እቶም ስደተኛታት ጸገማት እኹል መግቢ፣ ሕጽረት መድሃኒትን ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይን ከም ዘለዎም ሓቢሩ። ኣብተን መዓስከራት ልዕሊ 25 ሽሕ ስደተኛታት ምህላዎምን እዚኦም ናብቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዳባት ዝተባህለ ቦታ ዝተደኮነ ሓድሽ መዓስከር ንምስግጋር ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዝሓተተ ብምሕባር: ነቶም ስደተኛታት መግብን ካልእ ቀረባትን ምብጻሕ እንተዘይተኻኢሉን ሓገዝ ናብ ዝረኽብሉ ቦታ ክሰጋገሩ እንተዘይክኢሎምን ብዙሓት ካብኦም ክሞቱ'ዮም ክብል ኣጠንቂቑ'ሎ። \"ነቲ ብሓፈሻ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረቦ ጻውዒት ብምድጋፍ፡ ኩሎም ወገናት [ናይቲ ግጭት] ኢትዮጵያ ውሕስነት ሲቪላውያን ከረጋግጹን፡ ንመሰረታዊ ናጽነታት ኩሎም ሰባትን ስደተኛታትን ከኽብሩን\" ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ጸዊዑ'ሎ። ብ5 ጥሪ 2022 ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ክልተ ህጻናት ዝርከቡዎም ሰለስተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዝተቐትሉን ካልኦት ብዙሓት ከም ዝቖሰሉን ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ነይሩ። ኲናት ትግራይ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ድሕሪ ምውልዑ እቶም ስደተኛታት ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ወዲቖም ምንባሮም ይዝከር። ልዕሊ 20 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘዕቆባ ክልተ ኣብ ሰሜናዊ-ምዕራብ ተደኲነን ዝነበራ መዓስከራት ሕጻጽን ሽመልባን በቲ ኲናት ምሉእ ብምሉእ ብምዕናወን፡ ኣብአን ዝነበሩ ስደተኛታት ኣደዳ ምብትታንን ጭውያን ኮይኖም እዮም። ብሰንኪ'ቲ ንልዕሊ 14 ኣዋርሕ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ክልል ትግራይ ክኣቱ ከምዘይክኣለ ትካላት ሰብኣዊ ረዲኤት ኣብዚ ቀረባ እዋን ክገልጹ ምጽንሖም ይፍለጥ። እቲ ግጭት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ሞትን ጥምየትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ምህላዉ ይፍለጥ። ነቲ ክሳብ ሕጂ'ውን ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ንምፍታሕ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ጭቡጥ ፍረ ኣይሃበን ዘሎ። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት፡ ሰላማዊ ፍታሕ ዝርከበሉ ዕድል ተፈጢሩ ምህላዉ ከምዘሐጎሶ ተዛሪቡ ነይሩ።","category":"CATEGORY_ONE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60091297"} {"headline":"ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን ዶላር ሎተሪ ዝተዓወተ ስደተኛ ነቲ ገንዘብ ክርከብ ተጸጊሙ","content":"ሓደ ኣፍሪቃዊ ስደተኛ፡ ንዝተዓወቶ ናይ ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን ዶላር ሎተሪ ክርከቦ ተጸጊሙ'ሎ። እቲ ኣልጀርያዊ ዜግነት ዘለዎ ውልቀሰብ፡ ኣብ ሃገረ ቤልጂም ብዝፈተኖ ሎተሪ €250,000 ዩሮ ($270,000 ዶላር) ተዓዊቱ'ሎ። እንተኾነ ግን ኣብታ ሃገር መንበሪ ወረቐት ስለዘይብሉ ንዕድሉ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቕዎ ይርከብ። እቲ ገንዘብ ብዙሕ ስለዝኾነ ብጥረኡ ኣብ ኢዱ ክወሃቦ ስለዘይክእል ከኣ ናይ ባንክ ሕሳብ ክህልዎ ኣለዎ። በዚ ዝተጸገመ እቲ ስደተኛ፡ ንሓደ ዓርኩ ነቲ ገንዘብ ክረከበሉ ድሕሪ ምፍታኑ፡ እቲ ሰብ ብስርቂ ተኸሲሱ ንሓጺር ግዜ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ነይሩ። እቲ ዕድል ዘይገበረ ወዲ 28 ዓመት ዕድለኛ ስደተኛ በቲ ዝተዓወቶ ናይ ሎተሪ ገንዘብ ገይሩ፡ ሂወቱ ኣብ ቤልጂም ክመርሕ ከምዝደሊ ይዛረብ። \"እቲ ገንዘብ ኣብ ኢደይ ምስ ኣተወ፡ ብራስለስ [ርእሰከተማ] ዝነብረሉ ገዛ ክገዝእ'የ። ምናልባት'ውን መኪና\" ይብል እቲ መንነቱ ብጋዜጣ 'ሄት ላስተ ኒውስ' ዘይተጠቕሰ ኣልጀርያዊ። እንተኾነ ግን፡ ቅድሚ ሕልምታቱ ምግሃዶም፡ ፈለማ እቲ ገንዘብ ናብ ኢዱ ወይ ጅብኡ ወይ ሕሳቡ ዝኣትወሉ ዕድል ከናዲ ክግደድ'ዩ። ዛጊት፡ ወረቐት መንነት ይኹን ዝነብረሉ ቀዋሚ ቦታ ከምዘይብሉ፡ መደበር ተለቪዥን ብልጂም ቪ-ኣር-ቲ ገሊጹ። እቲ ስደተኛ ናይ ባንክ ሕሳብ ክኸፍት ስለዘይፍቀደሉ ድማ፡ እቲ ናይ ሎተሪ ትካል ነቲ ገንዘብ ኣይክህቦን'ዩ ይብል ጠበቓኡ ኣለክሳንደር ቨርስትራተ። \"ንመንነቱ ዘረጋግጹ ሰነዳት ንምርካብ ኢና ንጽዕር ዘለና። ነቶም ኣብ ኣልጀርያ ዘለዉ ስድራቤቱ ክውከሶም ኣለዎ\" ክብል እቲ ጠበቓ ንኤ-ኤፍ-ፒ ተዛሪቡ። ኣፈኛ ትካል ሎተሪ፡ ኣየናይ ሰነድ ክቕበሉ ከምዝኽእሉ ንኤ-ኤፍ-ፒ ኣየነጸረን። ሓደ ካብቶም መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ኣዕሩኽቱ፡ ኣብ ክንድኡ ነቲ ገንዘብ ክርከብ ናብቲ ኣብ ብራስለስ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ትካል ሎተሪ ከይዱ። ዝኾነ ልዕሊ 100 ሽሕ ዩሮ ዝተዓወተ ሰብ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ብኣካል ክኸይድ ኣለዎ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ሰብ ምስ ካልኦት ክልተ ብጾቱ ብፖሊስ ተታሒዞም ንሓደ ለይቲ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ነይሮም። ሰብመዚ፡ ነቲ ናይ ሎተሪ ካርድ ሰሪቖሞ ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም ኢሎም ጠርጢሮሞም ነይሮም። እቲ ዕዉት ስደተኛ ነቲ ኩነታት ምስ ገለጸሎም ግን እቶም ሰባት ተፈቲሖም። ኣብዚ እዋን'ዚ፡ እታ ዕውትቲ ካርድ ብቤት ፍርዲ ናይታ ኣብ ጥቓ ወደብ ዚብራግ እትርከብ ከተማ ብራግስ ተታሒዛ ኣላ። እታ ካርድ ኣብታ ከተማ'ያ ተዓዲጋ ነይራ። ጠበቓኡ ከምዝበሎ፡ ሰብመዚ ነቲ ገንዘብ ክሳብ ዝርከቦ ከምዘይጥርዝዎ ቃል ኣትዮም ኣለዉ። እቲ ስደተኛ፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ካብ ሃገሩ ኣልጀርያ ተበጊሱ፡ ብጃልባ ናብ ስፔን ድሕሪ ምእታዉ፡ ብእግሩ ንፈረንሳ ሓሊፉ ናብ ቤልጂም ከምዝኣተወ ማዕከናት ዜና ጸብጺበን። ውጥኑ ናብ ብሪጣንያ ምእታው'ኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ግን ስድራቤት መስሪቱ ኣብ ቤልጂም ክነብር ተስፋ ከምዘለዎ ይገልጽ። \"ሰበይቲ ድማ ከናድየ\" ክብል ንጋዜጣ ላሰተ ኒውዝ ዝተዛረበ እቲ ስደተኛ፡ \"እንተኾነ ግና፡ ብገንዘብ ዘይኮነስ ብልበይ ክረኽባ'የ ዝደሊ\" ክብል ገሊጹ'ሎ።","category":"CATEGORY_ONE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61123720"} {"headline":"ኡጋንዳ: 15 ኤርትራውያን 'ብዘይሕጋዊ' መንገዲ ናብታ ሃገር ኣትዮም ብዝብል ኣብ ቀይዲ ኣትዮም","content":"ኣብ ኡጋንዳ \"ብዘይሕጋዊ\" መንገዲ ኣብታ ሃገር ኣትዮም ዝተባህሉ 15 ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን። እቶም ካብ ኬንያ ተበጊሶም ናብታ ሃገር ክኣትዉ ዝፈተኑ ኤርትራውያን ኣብ ቶሮሮ ዝተባህለት ኣብ ጥቓ ዶብ ኬንያ እትርከብ ከተማ ከም ዝተታሕዙ እቶም ጸብጻባት ጠቒሶም። እቶም 11 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከብኦም ስደተኛታት፡ \"ሰነድ መንነት\" ከም ዘይነበሮምን፡ ኣብ \"ምባለ ማእከላይ መደበር ፖሰስ\" ተታሒዞም ከም ዘለውን 'ደይሊ ሞኒተር' ዝተባህለ ጋዜጣ እታ ሃገር፡ ንምጭታት ጸጥታ ብምጥቃስ ሓቢሩ። ኣፈኛ ፖሊስ ናይቲ ዞባ ሮጀርስ ታይቲካ ንደይሊ ሞኒተር ኣብ ዝሃቦ ቃል \"ናበይ ይኸዱ ከም ዝነበሩ ብንጹር ንምፍላጥ ንምርምሮም ኣለና። ብድሕሪኡ ብኡ መሰረት ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ክሲ ክምስረተሎም'ዩ\" ኢሉ። ሓይልታት ጸጥታ ዩጋንዳ ኣብ ዶባት እታ ሃገር ኣብ ዘካየድዎ ስርሒት ክሕዝዎም ከም ዝኻኣሉ'ውን እቲ ሓበሬታ የረድእ። ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ ኣብታ ሃገር ናይ ጸጥታ ስግኣት ፈጢሩ ምህላዉ ጸብጻባት ይገልጹ። ኣብቲ ብቐዳምን ሰኑይን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገርን ናብ ርእሰከተማ ኣብ እትጓዓዝ ዝነበረት ኣውቶቡስን ዝተኻዱ መጥቃዕትታት ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ሓያሎ ካልኦት ምቑሳሎም ይዝከር። ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ዩጋንዳ ኣብ ካምፓላ ዘይልሙድ ምቁጽጻርን ምሕታት ወረቐት መንነትን ጀሚሮም ከም ዘለዉ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም። እቲ ኩነታት ነቶም ዛጊት ምሉእ ዕቑባ ዘይረኸቡ ስደተኛታት ስግኣት ከም ዝፈጠረሎም እቶም ምንጭታት ገሊጾም። ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራውያን ኣብታ ሃገር ዝከታተል ሓደ \"ኤርትራውያን ኣብ ዩጋንዳ\" ዝተባህለ ናይ ፈይስቡክ ምንጪ ሓበሬታ ከም ዝበሎ፡ ዛጊት ሓያሎ ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ከም ዝርከቡን ሓደጋ ምጥራዝ ገጢምዎም ከም ዘሎን ይሕብር። \"ክሳብ ሕጂ ኣብ ዩጋንዳ ልዕሊ 30 ኤርትራውያን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዩጋንዳ ከም ዝርከቡን ብቤት ፍርዲ ናይታ ሃገር ናይ ምጥራዝ ሓደጋ ኣንጸላልይዎም ከም ዝርከብን ንምውጽኦም ዝተገብረ ተደጋጋሚ ፈተነታት ከምዘይተዓወተን ይፍለጥ\" ይብል ሓበሬታ ናይቲ ገጽ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ኣብ ሓደጋ ድሕሪ ምውዳቖም፡ ንዝረኸብዎ ዕድል ብምጥቃም ካብታ ሃገር ክወጹ ከም ዝፍትኑ ይግለጽ። እቶም ናብ ኬንያ፡ ካብኡ ሓሊፎም'ውን ናብ ዩጋንዳ ዘምርሑ ሓተቲ ዑቕባ፡ ኣብ ጉዕዝኦም ከቢድ ሓደጋታት'ዩ ዝገጥሞም። ኣብዚ ቀረባ እዋን ክልተ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብቲ ጉዕዞ ድሕሪ ምጥፍአን ሃለዋተን ከምዘይተፈልጠ ስድራቤተን ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም። እቶም ስደተኛታት ግዳይ ኣሰጋገርትን ዘይተጸበይዎ ካልእ ባህርያውን ገበናውን ሓደጋታት ከምዝገጥሞምን ይዛረቡ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ኣብ ርእሰከተማ ካምፓላ ከምዝነብሩ ይንገር።","category":"CATEGORY_ONE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59084196"} {"headline":"ላዕለዋይ ቤት ፍረዲ ኣመሪካ ሓተቲ ዑቕባ ጉዳዮም ክሳብ ዝጻረ ኣብ ሜክሲኮ ክጸንሑ ወሲኑ","content":"ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ፡ ሓተትቲ ዑቕባ ጉዳይ ሕቶ ዑቕበኦም ክሳብ ዝጻረ ኣብ ሞክሲኮ ክጸንሑ ዘገድድ ፖሊስ ዳግማይ ናብ ተግባር ከውዕል ንፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣዚዙ። ሓተትቲ ዑቕባ ክሳብ ሕቶ ዑቕበኦም ዝጻረ ኣብ ሜክሲኮ ክጸንሑ ዝእዝዝ ፖሊስ ኣብ እዋን ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ'ዩ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ነይሩ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኸኣ ኣብ መጀመርታ መዓልቲ ናይ ስልጣኑ ነቲ ሕጊ ምእላዩ ዝዝከር እዩ። ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ እቲ ብዶናልድ ትራምፕ ዝተደንገገ ሕጊ ስደተኛታት ኣብተን ምስ ኣመሪካ ዘዳውባ ከተማታት ናይ ሜክሲኮ ንሕሱም ናብራ ከምዘቃልዖም'ዮም ዝማጎቱ። እቲ ቤት ፍርዲ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ውሳነ፡ እቲ ብጆ ባይደን ዝተወሰነ ውሳነ 'ዝኾነ ዓወት ከመዝግብ ኣይክኣለን' ብምባል እቲ ኣቐዲሙ ዝወጽአ ሕጊ \"ዊን ከምዝበለካ ዝእለን ብሃንደብት ዝልወጥን ኣይኮነን\" ኢሉ። ማሕበር 'ኣመሪካን ሲቪል ሊቢሪትስ' ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነቲ ኣቐዲሙ ኣብ እዋን ዶናልድ ትራምፕ ዝጸደቐ ሕጊ ንምንታይ ክኣልዩ ከምዝመረጸ እኹል መግለጺ ክህብ ሓቲቱ ኣሎ። ጆ ባይደን ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ ኣስታት 70 ሽሕ ዝኾኑ ስደተኛታት ሕቶ ዑቕበኦም ንኽጻረ ኣብ መክሲኮ ኮይኖም ይጽበዩ ነይሮም፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ግን ምምሕዳሩ፡ ጉዳያቶም ኣብ ምጽራይ እንከሎ ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ከምዝፈቐደሎም እዩ ዝግለጽ። በዚ ሕጂ ዳግማይ ናብ ቦትኡ ተመሊሱ ዘሎ ሕጊ ክንደይ ዝኾኑ ስደተኛታት ክጽለዉ ከምዝኽእሉ ኣይተፈለጠን ዘሎ። ክፍሊ ጸጥታ ኣመሪካ ብውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ከምዘይዓገበ ብምግላጽ ነቲ ውሳነ ብጽኑዕ ከምዝብድሆ ገሊጹ ኣሎ።","category":"CATEGORY_ONE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58326338"} {"headline":"ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ ብግልጺ ምዝርራብ ናይ ኩላትና ጥዕና'ዩ' - ያእቆብ ተኪኤ","content":"ያእቆብ ተኪኤ [ዶክተር] ኣብ ኣመሪካ ዩኒቨርሲቲ ፔንሲልቫኒያ ክኢላ ስነ ኣእምሮ'ዩ። ብትምህርቱ ክሊኒካል ሳይኮሎጂስት ኮይኑ ቴራፒስትን መምህርን እቲ ዩኒቨርሲቲ'ዩ። ንሱ ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ክዓቢ እንከሎ ናይ ማስተርስ ትምህርቱ ምክትታል ካብ ዝጅምር ንድሓር ኣብ ዘለው ግዜያት ኣብ ኣመሪካ'ዩ ዝነብር። ኣብ ስደትን ስደተኛታትን ትኹረት ገይሩ ብምስራሕ ብፍላይ ድማ ካብ ኣፍሪቃ ብቐንዱ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሱዳንን ንዝተሰደዱ ከቢድ ሓደጋ፣ ጾታዊ ዓመጽን ካልኦት ጸገማትን ንዝበጽሖም ሰባት ድጋፍ ጥዕና ኣእምሮ ይህብ። እዚ ስራሕ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣዝዩ ከም ዝጽዓቐ ዝገልጽ ያእቆብ፡ ኣብ ርእሲ እቶም ዝጸንሑ ጸቕጥታት ኣእምሮ ተደሪቡ ምስቲ ለበዳ ዝመጽኡ ዝተፈላለዩ ወጥርታት ንምቅላል ብዙሕ ስራሕ ይሓትት ይብል። እቲ ለበዳ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ስግኣት፣ ተነጽሎ ዝኣመሰሉ ተዛመድቲ ጸገማት ስለ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ብዝተፈለየ መልክዑ ሓገዝ የድልዮም ነይሩ ኢሉ። ኣብቶም ስደተኛታት ዝርኣይ ናይ ቋንቋ ጸገማት፣ ናይ ባህሊ ኣፈላላይን ምስቲ ሕብረተሰብ ናይ ምውህሃድ ጸገማትን፣ ብምኽንያት እቲ ለበዳ ዝስዓበ ምርሕሓቕን ብሕታውነትን ኣብ ኣእምሮ ከቢድ ጸቕጢ ከም ዘሕድሩ ይዛረብ። ነዚ ንምፍታሕ መንግስቲ ዝህቦም ኣገደስቲ ዝብሃሉን ንጥዕና ኣእምሮ ዝሕግዙን ሓበሬታታት ብዝዛረቡዎ ቋንቋ ክበጽሖም ብምግባር ክሕገዙ ከም ዝተገብረ ሓቢሩ። \"ኣብ ባህልና ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ ብግልጺ ምዝርራብ ከቢድ ስለ ዝኾነን እቶም ዝዛረቡ ሰባት'ውን ተነጽሎ ስለ ዝገጥሞም ፍቓደኛታት ኮይኖም ሓገዝ ንክረኽቡ ጻዕሪ ዝገብሩ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን የለውን። ግን ድማ እዚ መፍትሒ ኣይኮነን፤ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ግዜ ብዝወሰደ ቑጽሪ እናኸፍአ ስለ ዝመጽእ የኽብዶ። ነዚ መፍትሒ ክረክብ ይደሊ ነይረ\" ይብል። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ዩትዩብ ከም ሓደ ኣማራጺ ብምውሳድ ኣገደስቲ ሓበሬታታትን ማዕዳታትን ከሕልፍ ጀሚሩ። በዚ መገዲ እቶም ብስክፍታ ኣብ ገዝኦም ዝተሓብኡ ሰባት ዝደልዩዎ ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ'ዮም ዝብል ግምት ነይሩዎ። \"ብልክዕ ከምቲ ብኣካል ረኺብና እንሕግዞም ብዩትዩብ ዕምቆት ዘለዎ ሓገዝ ክትገብር ከቢድ'ዩ። ግን ድማ ሰባት ከይተሸማቐቑ ዝደልዩዎ ኣገልግሎት ምኽሪ ክረኽቡ ይኽእሉ'ዮም\" ኢሉ። ወሲኹ \"ከም ኮቪድ ዝበለ ለበዳ ሰባት ካብ ገዝኦም ከይወጽኡ ዝገብር እንተኾይኑ ወይ'ውን ካብ ዝለመዱዎ ማሕበራዊ ምትእኽኻባት ከትርፎም እንከሎ ሰባት ጸቕጢ በዚሑዎ ነቶም ዝጸንሑ ጸገማት ኣእምሮ ከጋድዶም ይኽእል'ዩ\" ይብል። ሰባት እቲ ዘድልዮም ሓገዝ ንምርካብ ካብ ዝድርቱዎም ነገራት እቲ ሓደ ካብቲ ማሕበረሰብ ክበጽሖም ዝኽእል ተነጽሎ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሕጂ ግንዛበ ሰባት እናተመሓየሸ ይመጽእ ምህላው ይገልጽ። ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝነበሩ ጸገማት ብምዝኽኻር \"ብዛዕባ ሕማማት ኣእምሮ ግንዛበ ናይ ምዕባይ ስራሕቲ ኣብ ዝሰርሐሉ እዋን ሰባት ንዕላማይ ይጥርጥሩዎ ነይሮም። ሰባት ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ ከይሓሰብካዮ ዝወርድ መዓት ይመስሎም። ግን ድማ ቀስ እናበለ ጭንቀት እናተደራረበ ዝዓቢ'ዩ\" ኢሉ። ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ግን ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኣመሪካን ካናዳን ብምኻድ ሞያዊ ተሞክርኡ ንከካፍልን ንኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ሓገዝ ክገብርን ተሓቲቱ ነይሩ። \"ናይ ኣእምሮ ሕሙም ክብሃል እንከሎ ጥራይ ዝባኑ ሰባት ብእምኒ ዘባርር ውልቀሰብ ዝመስሎም ብዙሓት ኣለው። እዚ ግን ጌጋ'ዩ\" ዝብል ያእቆብ ምጉዳል ጥዕና ኣእምሮ ብዝተፈለየ መልክዑ ዝግለጽ ምዃኑ የረድእ። ብፍላይ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ \"ኣብ ዝቕጽሉ ገለ ዓመታት ለበዳ ምጉዳል ጥዕና ኣእምሮ እንርኢ ይመስለኒ\" ክብል እንከሎ ብኣጋ ክንዘራረበሎም ዝግብኡ ነገራት ኣለው ይብል። ብቐንዱ ትኹረት ክንገብረሎም ይግባእ ዝብሎም ምልክታት ይኹን'ምበር፡ ምጉዳል ጥዕና ኣእምሮ ዘላቒ ኣይኾነን ዝብል ያእቆብ፡ ልክዕ ከምቲ \"ኣካላዊ ጸገም ገጢሙና ናብ ሆስፒታል ከይድና እንሕከሞ፡ ንኣእምሮና'ውን ተመሳሳሊ ክንክን ክንገብር ይግባእ\" ኢሉ።","category":"CATEGORY_ONE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58730611"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት 'ገበናት ኵናት' ተፈጺሙ፡ ሁማን ራይትስ ዎች","content":"ሰራዊት ኤርትራን ምልሻታት ትግራይን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጾታዊ ዓመጽን ቅትለትን ዝርከቦም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ ሁማን ራይትስ ዎች ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። ካብ ሕዳር 2020 ክሳብ ጥሪ 2021 ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣብ ውግእ ዝተጸምዱ ሓይልታት ኤርትራን ምሊሻታት ትግራይን ናብ መዓስከራት ስደተኛታት ሕጻጽን ሽመልባን ብምእታው ዝተፈላለዩ ግፍዒታት ከምዝፈጸሙ እቲ መግለጺ የመልክት። ሰራዊት ኤርትራ: ኣብ ከባቢ መዓስከር ስደተኛታት ንዝነበሩ ተጋሩ ዒላማ ከምዝገበረ እውን እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ። ዳይረክትር ሁማን ራይትስ ዎች ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ላቲሻ ባደር \"ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓይልታት ኤርትራን ትግራይን ተጠቒዖም'ዮም\" ድሕሪ ምባል \"እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተፈጸመ ዘሰንብድ ቅትለት፤ ጾታዊ ዓመጽን ዝምታን ናይ ኵናት ገበን ከምዝተፈጸመ ዘጉልሕ'ዩ\" ኢላ። እቲ ጸብጻብ \"ብተመሳሳሊ፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ'ውን እቲ ኵናት መዓስከራት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ናብ ዝርከባሉ ቦታታት ስለዝለሓመ እቶም ስደተኛታት ንሕሱም ስእነት ጸጥታን ረድኤትን ተቓሊዖም'ዮም\" ይብል። ሓላፊ ትካል ስደተኛታትሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ \"ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕትታት፡ ጭውያን፡ ማእሰርትን ጎነጽን ከምዝተፈጸመ እሙንን ዝተረጋገጸን ሓበሬታ ኣለና\" ኢሉ ነይሩ። ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብቲ ኲናት ክሳተፉ ዝጸንሑ ተጻረርቲ ወገናት ዝተቐርቀሩ ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ \"ጎነጽን ምፍርራሕን\" ደው ክብል ድማ ጸዊዑ ነይሩ። ወሃቢ ቃል ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ጌታቸው ረዳ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል \"ሰራዊትና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ'ዩ ናብቲ ካባቢ ተንቀሳቒሱ፡ ኣብቲ እዋን ብዙሓት ጉጅለታት ኣብቲ ቦታ ስለዝነበሩ፡ [እቲ ግህሰት] ኣይተፈጸመን ኢለ ክኽሕዶ ኣይክእልን'የ\" ድሕሪ ምባል ዓለምለኻዊ መርማሪ ጉጅለ መጺኡ ከጻሪ ድልዋት ምዃኖም ጠቒሱ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ብዛዕባቲ ሂዩማን ራይትስ ዎች ዘውጽኦ ጸብጻብ ዝሃቦ መግለጺ እኳ እንተዘየለ፡ ሰራዊቱ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝኾነ ሕማቕ ተግባራት ከምዘይፈጸመ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ'ዩ። ኣብ መዓስከር ሕጻጽ እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ? ብመሰረት ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ሓይልታት ኤርትራ ብ19 ሕዳር ናብ ከተማ ሕጻጽ ብምእታው ብዘይ ኣፈላላይ ብዙሓት ነበርቲ ቐቲሎምን ዝምታ ፈጺሞምን ይብል። ብምቕጻል \"ብ23 ሕዳር ምሊሻታት ትግራይ ናብ መዓደስከር ስደተኛታት ሕጻጽ ብምእታው ነቶም ኣብ ጥቓ እታ መዓስከር እትርከብ ቤተክርስትያን ዝነበሩ ስደተኛታት ኣጥቂዐሞም\" ኢሉ። ኣብ ከባቢ እቲ መዓስከር ኣብ ሞንጎ ምልሻታት ትግራይን ሰራዊት ኤርትራን ብዝተኸፈተ ኵናት 9 ስደተኛታት ክቕተሉ እንከለዉ 17 ስደተኛታት ብኸቢድ ምቑሳሎም ሂዩማን ራይትስ ዎች ይገልጽ። ሰራዊት ኤርትራ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ታሕሳስ ካብቲ ከባቢ ምስ ለቀቑ ምልሻታት ትግራይ ብ5 ታሕሳስ ናብቲ መዓስከር ብምእታዉ ተዅሲ ከፊቶም፡ ነቶም ዝሃደሙ ስደተኛታት ሒዞም ናብ መዓስከር ሕጻጽ ብምምላስ ኣብ ልዕሊኦም ማእሰርትን ጾታዊ ዓመጽን ከምዝፈጸሙ ኣብቲ ጸብጻብ ተገሊጹ ኣሎ። ሂዩማን ራይትስ ዎች \"እቲ ኣብ ሕጻጽ ዝተፈጸመ ምእሳር ስደተኛታት ብምልሻታት ትግራይ፡ ፍሉይ ሓይሊ ትግራይን መንነቶም ዘይተፈለጠ ናይ ኤርትራ ዕጡቓትን እዩ ተፈጺሙ\" ይብል። ብ4 ጥሪ ወተሃደራት ኤርትራ ናብቲ ከባቢ ምስ መጺኡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ከባቢ ሕጻጽ ኣንሳሒቦም፡ ብድሕሪ እዚ ሰራዊት ኤርትራ ነቶም ኣብቲ መዓስከር ዝጸንሕዎም ስደተኛታት ናብቲ ናብ ኤርትራ ዘምርሕ ጽርግያ ገጾም ክኸዱ ኣዚዘሞም፡ ካብ 5 ክሳብ 8 ጥሪ ኣብ ዝነበረ ግዜ ኸኣ ነቲ መዓስከር ከምዘቃጸልዎ ሂዩማን ራይትስ ዎች ይኸስስ። ኣፈኛ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ክሪስ መልዘር ኣብ ወርሒ ለካቲት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ብዙሓት ካብኦም ኣብ ከባቢ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ፋሕ ኢሎም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዝርከቡ ኣፍሊጡ ነይሩ። ብሰንኪ'ቲ ብ4 ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት፡ እቶም ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ መዓስከራት ተዓቚቦም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት እቲ መዓስከራት ኣብቲ ኵናት ዝካየደሉ ቦታ ስለ ዝርከብ ዝኾነ ሰብኣዊ ሓገዛት ክበጽሖም ብዘይምኽኣሉ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቖም ምንባሮም ይፍለጥ። ዩኤንኤችሲኣር ካብቶም ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2020 ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽን ሸመልባን ዝነበሩ 20 ሽሕ ዝኾኑ ስደተኛታት እቶም 7643 ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2021 ኣብ ዝተገበረ ተፍትሽ ኣበይ ከምዘለዉ ከምዘይፍለጥ ምግላጹ ይዝከር። ሰራዊት ኤርትራ ካብ 19 ክሳብ 23 ሕዳር ኣብ መዓስከር ከተማን መዓስከርን ሕጻጽ እንታይ'ዩ ገይሩ? ሰራዊት ኤርትራ ብ19 ሕዳር ምስ ሓይልታት ትግራይ ድሕሪ ምውጋእ ንከተማ ሕጻጽን ነታ ኣብ ጥቃኣ ትርከብ መዓስከር ስደተኛታትን ተቖጻጺሩ። እቶም ወተሃደራት፡ ብዙሓት ነበርቲ'ቲ ከባቢ ከምዝቐተሉን ከምዝዘመቱን፤ ገለ ካብቶም ስደተኛታት ድማ ኣብ ዘመተ ከምዝተሳተፉን ወጥሪ ንክጋደድ ተወሳኺ ምኽንያት ከምዝኾኑን እቲ ጸብጻብ ኣስፈሩ። ካብ 19 ክሳብ 23 ሕዳር ኣብ ዝነበረ ግዜ ብውሕዱ 31 ነበርቲ ከምዘተቐትሉ ሂዩማን ራይትስ ዎች ካብ እሙናት ምንጪ ሓበሬታ ኣለኒ ይብል። ብ23 ሕዳር፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነጥፍ ከባብያዊ ማሕበር'ውን ናይ 26 ዝተቐተሉ ሰባት ዝርዝር ኣስማት፡ ዝበዝሑ ካብ ሓደ ስድራ ዝኾኑ፡ ንሂዩማን ራይትስ ዎች ከምዘረከበ እቲ ጸብጻብ የረድእ። ሓደ ነባሪ፤ \"ዳርጋ ኩሎም ገዛውቲ ብወተሃደራት ኤርትራ ተፈቲሹ እዩ፤ ብዙሓት ሰባት እውን ተቐቲሎም እዮም\" ከምዝበሎ ጸብጺቡ'ሎ። ሂዩማን ራይትስ ዎች \"ካብቶም ዝተቐተሉ ብውሕዱ እቶም ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት ናይተን ኣብ ሕጻጽ ዝነጥፋ ዝነበራ ሰብኣዊ ሓገዛት ዘበርክታ ትካላት እዮም\" ኢሉ። ምልሻታት ትግራይ ኣብ መዓስከር ሕጻጽ እንታይ'ዩም ፈጺሞም? ብ23 ሕዳር ንግሆ ሰዓት ሽዱሽተ ኣብ ከተማ ሕጻጽ ከቢድ ኵናት ከምዝጀመረ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ንሁማን ራይትስ ዎች ጠቒሶም። እቶም ምልሻታት ብኽልተ ሸነክ ናብቲ መዓስከር ብምእታው ተዅሲ ከምዝኸፈቱሎምን ነቶም ኣብ ቤተ ክርስተያን ዝጸንሕዎም ብጥይት ከምዝሃረምዎም'ውን ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ ኣሎ። ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ትሽዓት ስደተኛታት ከምእተቐትሉን 17 ካልኦት ብኸቢድ ከምዝቖሰሉ፡ ሓንቲ ሰበይትን ሓደ ንእሽተይ ቆልዓን ኣብ ዓንዲ ሕቖኦም ከምዝተሃረሙን ይገልጽ። ክልተ ስደተኛታት ንሁማን ራይትስ ዎች ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ምልሻታት ትግራይን ካራን ጎዞሞን ዝሓዙ ሰባትን፡ ንስደተኛታት ብለይቲ ወሲዶሞም ብምባል፡ ሓደ ካብቶም ግዳያት \"ናብ ሓደ ደንደስ ሩባ ወሲዶሙና፡ ኣብ ሓደ ወርቂ ክኣርዩ ዝኾዓትዎ ጉድጓድ ኣእትዮም ን15 ደቓይቕ ኣጽኒሖም ናይ ኢድ ቦንባ ደርብዮሙልና፡ ጥይት ብዝትኩሱ ሰባት ተኸቢብና ስለዝነበርና ክንሃድም ኣይክኣልናን\" ኢሉ። ኣብ ዝሰዓበ መዓልታት እቶም ምልሻታተት ናብቲ መዓስከር እናመጽኡ ደቂ ኣንስትዮ ይዕምጹ፡ መግብን ካልእ ንብረታትን ይዘምቱ ምንባሮምን'ውን ሂዩማን ራይትስ ዎች ገሊጹ ኣሎ። እቶም ተኸሰስቲ ኣካላትከ እንታይ ይብሉ? ሚኒስተር ዜና ኤርትራ፡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ብዛዕባ'ዚ ሂዩማን ራይትስ ዎች ዘውጽኦ ጸብጻብ መልሲ ከምዘይሃበ ዝገለጸ ሮይተርስ፡ እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ንሰለማውያን ሰባት ዕላማ ከምዘይገብርን ዝኾነ ግህሰት ከምዘይፈጸመን ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር። ወሃቢ ቃል ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ ስሩዓት ሰራዊት ትግራይ ኣብዚ ቀረባ እዋን ጥራይ ናብቲ ከባቢ ከምዝተንቀሳቐ ብምሕባር እቲ ዝብሃል ዘሎ በቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ምልሻታት ዝተፈጸመ ከኸውን ከምዝኽእል ግምቱ ሂቡ። ጌታቸው ረዳ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል \"ሰራዊትና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ'ዩ ናብቲ ካባቢ ተንቀሳቒሱ፡ ኣብቲ ቦታ ብዙሕ ሰራዊት ኤርትራ ኣሎ፡ ኣብቲ እዋን ውግእ ብዙሓት ጉጅለታት ኣብቲ ቦታ ስለዝነበሩ ኣይተፈጸመን ክብል ኣይክእልን'የ\" ድሕሪ ምባል ዓለምለኻዊ መርማሪ ጉጅለ መጺኡ ከጻሪ ድልዋት ምህላዎም ጠቒሱ። ስደተኛታት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ጥቅምቲ 2020 ብዝነበረ ጸብጻብ ኢትዮጵያ ኣስታታት 149 ሽሕ ኤርትራውያን ሰደተኛታት መዝጊባ ነይራ፡ እቶም ዝበዝሑ ኸኣ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ መዓስከራት እዮም ነይሮም። 20,000 ኣብ ሕጻጽን ሸመልባን፡ 31 ሽሕ ኸኣ ኣብ ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ነይሮም። ትካል ስደተኛታት ኢትዮጵያ ግን ካብ ወርሒ ጥሪ ናይ 2020 ጀሚሩ ስደተኛታት ምምዝጋብ ደው ኣቢልዎ ምንባሩ ይዝከር። መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ኣብ ወርሒ መጋቢት 2020 ነቲ መዓስከር ክዓጽዎ ምዃኑ ሓበሬታ ሂቡ ነይሩ እዩ። ኣብ ትግራይ ኵናት ድሕሪ ምውልዑ ኸኣ መዓስከራት ሕጻጽን ሸመልባን ከምዝተዓጸዋ ኣራ ኣፍሊጡ። ዩኤንኤችሲኣር'ውን ካብ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ናብ መዓስከራት ሸመልባን ሕጻጽን ብሰንኪ እቲ ኵናትን መንግስቲ ዘቐመጦ ናይ ምንቅስቓስ እገዳን ዝኾነ ሰብኣዊ ረድኤት ከብጽሕ ከምዘይክኣለ ኣፍሊጡ ነይሩ። ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብሰንኪ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዝተናውሐ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምዝተሰደዱ እዮም ዝሕብሩ።","category":"CATEGORY_ONE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58498190"} {"headline":"ዘሕዝን ርእሰ-ቕትለት ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ","content":"ብቑልዕነቱ፡ ካብ መበቆል ዓዱ ኤርትራ ሃዲሙ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዑቕባ ሓቲቱ ክነብር ዝጸንሐ ስደተኛ ሄኖክ ዛይድ ገብረስላሰ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ህይወት ክመርሕ ተስፋ ነበሮ። እንተኾነ ኣብ መበል 23 ዓመቱ፡ ኣብ ምዕራብ ሚድላንድስ ኣብ እትርከብ ከተማ ኮቨንተሪ ኣብ ዝርከብ ትካል ጥዕና አእምሮ ባዕሉ ህይወቱ ከም ዘጥፍአ ይእመን። ሞቱ ከኣ ነቲ መንእሰያት ሓተቲ ዑቕባ በብእዋኑ ዝፍጽምዎ ዘለው ነብሰ ቅትለት ናብ ዝለዓለ ጫፍ ከምዘዕረጎ ሓደ ማሕበር ግብረ-ሰናይ ይገልጽ። ሄኖክ፡ ምቕሉል፡ ሕያዋይ ፈቃርን ፈታው ጸወታ ኩዕሶ እግርን መንእሰይ ምንባሩ ሓው ይሕብር። \"ዝኾነ ሰብ እንተ ተጨኒቑ ወይ ሓገዝ እንተ ደልዩ፡ ሄኖክ ቅድሚ ኩሉ እዩ ዝርከብ\" ይብል ሓው ተወልደ ዛይድ። እዚ ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ፡ ኩሉ ሳዕ በአዕሩኽቱ ከም ሕውስ: ፈቃርን መትከለውን ሰብ እዩ ዝረአ ነይሩ ። ካብ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምእንቲ ክርሕቕ፡ ገና ወዲ 14 ዓመት ቈልዓ እንከሎ እዩ ካብ ኤርትራ ሃዲሙ ዶብ ሰጊሩ ንሱዳን ኣትዩ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ንገለ እዋን ተቐሚጡ ። እንተዀነ ግን፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ክነብር ስለዝሓሰበ ብምድረ-በዳ ሰሃራ ናብ ሊብያ ኣትዩ። ካብኡ ብማእከላይ ባሕሪ ተጓዒዙ፡ ወዲ 21ዓመት ምስ ኮነ ኣብ ግንቦት 2020 ናብ ኮቨንትሪ መጺኡ ። \"ኣብ ጕዕዞ ስደት ብዙሕ ስቓይ እኳ እንተ ኣሕለፈ፡ ተስፋ ግን ኣይቈረጸን። ሓደ መዓልቲ እፎይ ዝብለሉን ቤተይ ዝብሎን መዕቈቢ ክረክብ ተስፋ ነይሩዎ\" ይብል ሓው ተወልደ ። ሄኖክ ናብ ዓዲ-እንግሊዝ ክኣቱ እንከሎ \"ኣዝዩ-ሕጉስ\" እዩ ነይሩ ይብል ሓው። \"[ድሕሪ ብዙሕ ጸበባ] ህይወቱ ክቕይር ኣዝዩ ትስፉው ነይሩ\" ከኣ ይብል ። ሄኖክ ከም ብዙሓት ሓተትቲ ዑቕባ መንእሰያት፡ ብሰንኪ ጉዕዞ ስደቱ ንዓዲ-እንግሊዝ ክኣቱ እንከሎ ከቢድ ስነ እምሮኣዊ ሃስያ ከምዝነበሮ፡ ሰራሕተኛ ግብረ-ሰናይ በኒ ሃንተር ይገልጽ። በኒ፡ መስርሕ ሕቶ ዑቕባ ዓዲ-እንግሊዝ ቀሊል ከምዘይኮነ ካብ ተመክሮኡ ይዛረብ። ሚስተር ሃንተር ኣብታ ዳዕሮ እተሰምየት ድሕሪ ሞት ኣርባዕተ መንእሰያት ኣዕሩኽ: ብኤርትራውያን ማሕበረሰብ ዝቖመት ትካል እዩ ዝሰርሕ። \"ብዙሓት ካብቶም ምሳና ዝሰርሑ መንእሰያት፡ ብዙሕ ግፍዒ፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ሞት ዝረኣዩን ንገዛእ ርእሶም ዓመጽ ዘጋጠሞምን እዮም\" ይብል። እቲ ናይ ሕቶ ዑቕባ መስርሕ ንባዕሉ ኣዝዩ ዘሰንብድ ተመኩሮ ምዃኑ ይጠቅስ። \"ኣብ ሆቴል እናተቐመጥካ፡ ክትሰርሕ ዘይፍቀደካ ሰሙናዊ ብእትወሃቦ ኣዝዩ ውሑድ መቑነን ክትነብር ብፍላይ ንበይንኻን መንእሰይ እንተኼንካን ንብዙሓት ሰባት ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ \" መብዛሕትኡ ግዜ ንሓተትቲ ዕቚባ፡ ማሕበራዊ ተነጽሎ፡ ኣድልዎ፡ ሓደ ሓደ ግዜ እውን ጽልኢ የጋጥሞም እዩ፡ ይብል ሚስተር ሃንተር ። \"እዚ ከነጕልሖ ዝጸናሕና መስርሕ ሕቶ ዑቕባ ኣብ ልዕሊ እቶም በቲ መስርሕ ዝሓልፉ ሰባት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ መንእሰያትን ተነቀፍቲ ሰባትን ዘጋጥም እዩ\" ክብል ኣብሪሁ ። እቶም ካብ ኤርትራ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመጽኡ \"ኣዝዮም ብዙሓት\" ሰባት ፡ ናይ ስደተኛነት መሰል ይወሃቦም እዩ። ይኹን እምበር ብዙሓት ካልኦት እውን ሓተትቲ ዑቕባ ምላሽ ሕቶኦም ንክረኽቡ ንዓመታት ክጽበዩ ንርኢ ኣለና \" ኢሉ ። 'እዋን ቅልውላው' ሄኖክ ዝሓሸ ህይወት ንክረክብ እዩ ንዓባይ ብሪጣንያ ኣትየ። ነብሱ ከመሓይሽን ብትምህርቲ ክስጉምን ዝከኣሎ ይገብር ነይሩ። \"ትምህርተይ ተኸታቲለ ነብሰይ ከመሓይሽን ካብ ዝኾነ ሰብ ከይተጸበኹ ሰሪሐ ክነብርን እየ\" ይብለኒ ነይሩ ይብል፡ ሓው ተወልደ ዛይድ። ንመጨረሽታ ግዜ ከኣ ብ4 ነሓሰ ከምዘዛረቦ ይሕብር። \"[ሽዑ] ንነዊሕ ሰዓታት ተዘራሪብና። ስእሊ ናይቲ ኣብ ሱዳን ዝገበርክዎ መርዓ ክርኢ ይደሊ ነይሩ\" ይብል። እንተዀነ ግን፡ ሄኖክ ድሕሪ ሸሞንተ መዓልቲ ኣብ ኮቨንትሪ ኣብ ዝርከብ ማእከል ጥዕና ኣእምሮ ካልዶናውያን ርእሰ-ቕትለት ከምዝፈጸመ ተገልጸ። ንሱ ኣብቲ ናይ ቅልውላው ግዜ ናይ ኣእምሮ ናይ ጥዕና ኣገልግሎት እኳ ረኺቡ ክኸውን ይኽእል እዩ ይብል ሚስተር ሃንተር። ትካሎም ነቲ ናይ ሕቶ ዑቕባ መስርሕ ኣብ ኣእምሮ መንእሰያት ዘሎ ጉዳያት ንምጕላሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ ። ኣማውታኡ \"ንምእማኑ ዘጸግም\" 'ዩ ዝበለ ኣቶ ዛይድ፡ ሬሳኡ ናብ ኤርትራ ንምምላስ ዝተገብረ ጻዕሪ ብምድንጓዩ፡ እታ ስድራ-ቤት ኣዝያ ከም እተጨነቐት ገሊጹ ። \"ክሳዕ እቲ ቀብሪ ዝፍጸም፡ እቲ ቤተ ሰብ ኣብ ሓዘን እዩ ዝቕኒ፤ ወለደይ: ወዶም ብምስኣኖም ንዘለኣለም ክሳቐዩ እዮም። ይኹን እምበር ንሄኖክ ስለ ዘይቀበርዎ ክሳብ ሕጂ ኣብ ብርቱዕ ሓዘን እዮም ዘለው\" ይብል። \"ኩሉ እቲ ሰበ ስልጣን ዝሓተቱና ነገራት ኣማሊእና ኢና። ስለምንታይ ነገራት ከምዝተሓላለኹ ኣይርደኣንን እዩ። እቶም ፖሊስ ስለምንታይ ክሳብ ሕጂ መርመራ ከምዘይወድኡ የተሓሳስበኒ እዩ። እቶም ሰበ-ስልጣን ብዝገበሩዎ ተግባር እሓርቕን እጕህን \"ይብል ። ናይ ምጥራዝ ፍርሒ ቅድሚ'ዚ ዓመት'ዚ ኣብ ለንደን ዝመደበሮም 46 ትካላት ግብረ ሰናይ ኣብ ልዕሊ ሓተትቲ ዕቚባ ብዘጋጥም ዘሎ ብዝሒ ርእሰ ቕትለትን ብዛዕባ እቲ ናብ ሃገሩ ንኸይጥረዝ ብምፍራሕ ኣብ በርሚንግሃም ነብሱ ዝቐተለ ወዲ 19 ዓመት ኣፍጋናዊ ዝምልከት መጠንቀቕታ ናብ ሆም ኦፊስ ደብዳበ ጽሒፎም ነይሮም። እቲ ኣብ 13 ዓመቱ ናብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝመጽአ፡ መንእሰይ ክሳዕ 18 ዓመት ዝመልእ ኣብ ትሕቲ ኣልያ ሰበ ስልጣን እዩ ጸኒሑ። ኣብ ብሪጣንያ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓስ ጥራሕ ስለዝተዋህቦ ናብ ኣፍጋኒስታን ንኸይምለስ ብርቱዕ ፍርሒ ነይሩዎ። እቲ ኣብቲ ምርመራ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ዝተኻፈለ ሚስተር ሃንተር፡ እቲ መንእሰይ ከም መብዛሕትኦም እቶም ካልኦት፡ ብዘይ ኣላዪ ንበይኑ ናብታ ሃገር ከም ዝመጽአ ተሓቢሩ። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዝተገብረ መጋባእያ ምርመራ ሓደጋ ርእሰ ቕትለት፡ ወዲ 19 ዓመት ኤርትራዊ ሙሉብርሃነ መድሃኔ ክፍለየሱስ ኣብ ለካቲት 2019 ህይወቱ ከምዘሕለፈ ተሰሚዑ። ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ድሕሪ ምእታዉ ኣብ ውሽጢ 16 ኣዋርሕ ካብቶም ነብሶም ዝቐተሉ ኣርባዕተ አዕሩኽ ከም ዝዀነ፡ ዘ ጋርድያን ኣቐዲሙ ሓቢሩ ነይሩ ። ኣብቲ መጋባእያ፡ ከቢድ ናይ ኣእምሮ ሕማሙ ነይሩዎ ዝብል ተቐባልነት ኣይረኸበን ። ወዲ 18 ዓመት ፊልሞን የማነ፡ ኣብ ሕዳር 2017 ከምኡ እውን ዓርኩ ኣለክሳንደር ተኽለ፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ነብሱ ቐቲሉ ተባሂሉ። ወዲ 19 ዓመት ዑስማን ኣሕመድ ኑር፡ ኣብ ግንቦት 2018፡ ኣብ ካምደን- ለንደን፡ ኣብ ዝርከብ መንበሪኡ ሞይቱ ተረኺቡ። እቲ መጋባእያ ሞት ክልተ አዕሩኽቱ ምስ ሰምዐ ኣዝዩ ከም እተተንከፈ ተሓቢሩ። ካብቶም ኣርባዕተ ስድራ ቤታት ናይቶም ሰለስተ መወትቲ ዝወከለት ኦሊቭያ ኣነስ ዝተባህለት፡ ናይ ባት ሙርፊ ዝተባህለ ትካል ጠበቓ ወኪል እቲ ሞት ዘሰምብድ እዩ ክትብል ትገልጾ። \"እዚ ናይ መንእሰያት ሓተትቲ ዑቕባ ርእሰ ቕትለት ሶሻል ሰርቪስን ትካል ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ እውን ዝፈልጡዎን ከቢድ ሕቶታት ዘለዓዕል እዩ \" ኢላ። \"እዞም ካብ ውግእን ሃድንን ስርዓታት ሃዲሞም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመጽኡ ሰባት ስለምንታይ ኣብ ትሕቲ ዑቕባና ነብሶም ይቐትሉ ከምዘለው ክንፈልጥ ይግባእ\" ትብል። \"ብዛዕባ'ዚ ሞት'ዚ ብዝምልከት፡ ህዝባዊ መጋባእያ ምርመራ ክክየድ ይግባእ እዩ። እቲ ምድንጓይ ከኣ፡ መዓልታዊ ካልእ ሓደጋን ዘየድሊ ሞትን እዩ ዘስዕብ\" ኢላ። 'እቲ ምልክቱ ዝረአ ዘሎ ሕቡእ ሓደጋ' \"[መንግስቲ] ብዙሓት መንእሰያት ከም ዝሞቱ፡ ዝፈልጥ ኣይመስልን። ከምኡ እንተኾይኑ ከኣ እዚ ጕዳይ ከመይ ገይሩ ኣቓልቦ ክረክብ ይኽእል? በቲ ሓደጋ ክንደይ ሰባት ከም ዝጸልዉ ርግጸኛ እንተ ዘይኴንካ፡ ከመይ ጌርካ ንሞት ክትከላኸሎ ትኽእል?\" ክብል ሚስተር ሃንተር ገሊጹ። ብግብረ-ሰናይ እተገብረ መርመራታት፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ጥራይ ልዕሊ ዓሰርተ ዝዀኑ ሰባት ከምዝሞቱ ይሕብር። እዚ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከም ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ እዩ ዝግለጽ። እዚ ከኣ፡ \"ውሑድ ምልክት ናይቲ ከቢድ ሓደጋ\" ጥራይ ክኸውን ከም ዝኽእል ሚስተር ሃንተር ገሊጹ ኣሎ ፣ ኸመይሲ፡ ኮሮናቫይረስ ዜግነት ወይ ኩነታት ኢሚግሬሽን ናይቶም ዝሞቱ ሰባት ክምዝግብ ኣየድልዮን እዩ። እቲ መንግስቲ፡ ዛጊት፡ ነቲ ብትካላት ግብረ ሰናይ ክሕተት ዝጸንሐ ሕቶ ምጽራይን ምርመራን ወግዓዊ ምላሽ ኣይሃበን ዘሎ። ወሃቢ-ቃል እተን ትካላት ግብረ ሰናይ ግን \"ንጽጉማት ሓተትቲ ዑቕባ ናይ ምልላይን ምስ ናይ ጥዕናን ማሕበራዊ ክንክን ትካላት ዝድግፉ ሓላፍነት ዘለዎም ውፉያት ጉጅለ ኣለዋ\" ይብል። እቲ ወሃቢ ቃል \"ኣብዚ ጽንኩር እዋን ልብናን ሓሳብናን ምስ ስድራ ቤት ኣቶ ገብረስላሰ ከምኡውን ምስ ፈተውቱን እዩ\" ይብል ። እቲ ንማእከል ጥዕና አእምሮ ትካል ካሉዶ ዘመሓድር ናይ ዋርዋክሼርን ኮቨንትሪን ትካል ጥዕና \"በቲ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ኣብ ሓደ ካብቶም ሕሙማትና ዘጋጠመ ፍጻመ፡ ኣዚና ከም ዝጓሃና ክንገልጽ ንደሊ\" ኢሉ። ብዛዕባ እቲ ፍጻሜ ግቡእ መርመራ ክካየድ ምዃኑ ወሲኹ ሓቢሩ። ትካል ምክትታል ጉዳያት ምውታን ከተማ ኮቨንተሪ ብዛዕባ ሞት ሄኖክ ዝሰምዕ መገባእያ ግቡእ ምርመራ ከምዘካይድ ሓቢሩ።","category":"CATEGORY_ONE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58823638"} {"headline":"5ይ ፓትርያርክ ወርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ዓሪፎም","content":"ብጹእ ወቅዱስ ኣቡን ቀዳማዊ ቄርሎስ - ሓሙሻይ ፓትሪያርክ ወ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ንሓጺር መዓልታት ድሕሪ ምሕማሞም ትማሊ 2 ታሕሳስ 2022 ኣብ መበል 96 ዓመቶም ከምዝዓረፉ ቤት ጽሕፈት መንበሪ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ ኣፍሊጣ። ብጹእ ወቅዱስ ኣቡን ቀዳማዊ ቄርሎስ - ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዓዲ-ቐይሕ ኰይኖም ከገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብመሰረት ሲነዶስ ዘካየዶ ጉባኤን ምርጫን፡ ኣብ ግንቦት 2021፡ 5ይ ሊቃነ-ጳጳስ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሃዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ኮይኖም ብምሻም፡ ክሳብ ዕለተ ዕረፍቶም፡ ንቤተክርስትያን ከገልግሉ ምጽንሖም ይፍለጥ። እቶም ሊቃነ-ጳጳስ፡ ኣብ 2021\/22 ናብ ግብጺ፡ ግሪኽ፡ ጀርመን ብምጋሽ፡ ከምኡ'ዉን ንልኡኻን ሶሪያ፡ ዮርዳኖስ፡ ካልኦትን ብምቅባል፡ ምስ ላዕለዎት መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ተራኺቦም፡ መንፈሳዊ ዕማም ከምዘሰላሰሉ ይፍለጥ። ሲኖዶስ ኦርቶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ንኣቡነ ቄርሎስ መበል 5ይ ፓትርያርክ ንክኾኑ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2021 እዩ ሸይማቶም። ብሰንኪ ምእጋድን፡ ምውጋዝን ምሕያርን 3ይ ፓትርያርክ፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ እታ ቤተ-ክርስትያን ብዘይ ፓትርያርክ ንዓመታት ምጽንሓ ይፍለጥ። ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ ጥሪ 2006 ንፈለማ እዋን ካብ መዝነቶም ክወርዱ ድሕሪ ምግዳዶም፡ ንዕኦም ተኪኦም 4ይ ፓትሪያርክ ኮይኖም ዝተመርጹ፡ ኣቡነ ድዮስቆሮስ ኣብ ታሕሳስ 2015 ካብ ዝሞቱ ንድሓር፡ እታ ቤተክርስትያን ክሳብ 2021 በዘይ ፓትርያርክ'ያ ጸኒሓ። ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ሳልሳይ ፓትሪያርክ ኤርትራ፡ ካብ ሕጊ ቤተ-ክርስትያን ወጻኢ ኣብ 2006 ካብ መዓርገ ፓትሪያርክነት ተኣልዮም፤ ንልዕሊ 15 ዓመታት ኣብ ማሕዩር እንከለው ኣብ መጀመርታ ወርሒ ለካቲት 2022 ከም ዝዓረፉ ይዝከር። ኣብ ሓምለ 2019፡ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ነቶም 3ይ ፓትሪያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ መዝነቶም ከም ዘውረዶምን፡ ካብታ ቤተ-ክርስትያን ከም ዝወገዞምን ኣፍሊጡ ነይሩ'ዩ። ደገፍቶምን ተጣበቕቲን ከምዝብልዎ፡ እቶም ፓትርያርክ፡ ንማእሰርቲ መራሕቲ መንእሰያት \"ትምህርቲ ሰንበትን\" ዝነበሩ ኣቕሽቲ ብምቅዋሞም'ዮም ካብ ስልጣኖም ክውገዱ ተደልዮም። ፓትርያርክ ኦርቶዶስክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ንምሉእ ዕድሚኡ ዝሽየም ኮይኑ፡ ብዝሙት፡ ናይ እምነት ክሕደት ወይ ድማ ናይ ኣእምሮ ጸገም ምስ ዘጋጥሞ ጥራይ ካብ ስልጣኑ ከምዝወርድ ይንገር። ኣብ ኤርትራ ብመንግስቲ ወግዓዊ ኣፍልጦ ዝተወሃበን ሃይማኖታት፡ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ፡ ምስልምና፡ ካቶሊክን ወንጌላዊት ሉተራዊት ቤትክርስትያን እየን። ብመንግስቲ \"ኣፍልጦ ዘይተዋህቦም\" እምነታት ዘምልኹ ኤርትራውያን ግን፡ ኣባላት ጸጥታ ካብ ገዝኦም ብሃንደበት ብምውሳድ ንነዊሕ እዋን ከምዝኣስርዎም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይሕብሩ። ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣብ 2018 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ \"ብዛዕባ ኤርትራ ግጉይ ስእሊ ወይ ዝንቡዕ ሓበሬታ ስለዘሎ'ዩ እምበር ኤርትራ፡ መሰል ናይ እምነት እተኽብር ሃገር እያ. . . መንግስቲ ኣብ ሃይማኖታት ኢዱ ኣየእቱን እዩ\" ክብል ምላሽ ሂቡ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ኤርትራ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ናይ ሕልና እሱራት ከም ዘለዉ ጸብጻባት ጉጅለታት ተሓለቕቲ ሰባዊ መሰላት ይሕብሩ።","category":"CATEGORY_TWO","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cy70px4vnvro"} {"headline":"ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ትግራይ 'ሓባራዊ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ' ደው ከብላ ጸዊዑ","content":"ኣንቶኒ ብሊንከን፡ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ትግራይ ዘካይድዎ ዘለዉ \"ሓባራዊ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ\" ደው ከብሉ ጸዊዑ። እቲ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣብ'ቲ ብትዊተሩ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ ብተወሳኺ ሰበስልጣን ክልል ትግራይ’ውን ሓይልታቶም፡ \"ቆስቆስቲ\" ዝበሎም ተግባራት ካብ ምውሳድ ክቑጠቡ ኣተሓሳሲቡ። እቲ ኣስታት ክልተ ዓመት ክመልኦ መዓልታት ዝተርፍዎ ኲናት፡ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ሃዲኡ ጸኒሑ፡ ኣብ ፍርቂ ወርሒ ነሓሰ ዳግማይ ምስተወለዐ፡ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብ ብዙሓት ዶባት ክልል ትግራይ፡ ከቢድ ኲናት ይካየድ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ። መራሕቲ ትግራይ፡ ካብ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ‘ሰፊሕ ሓበራዊ መጥቃዕቲ’ ከምዝተፈነዎም ይኸሱ። ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር፡ ሃገሩ ምትእታዋት ሓይልታት ኤርትራ ከምዘፍለጡ ተዛሪቡን ኮኒኑን ነይሩ። ብሊንከን ኣብቲ ኣብ ትዊተር ዘስፈሮ መልእኽእቲ ወሲኹ “መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበስልጣን ክልል ትግራይን ኲናት ንምቁራፅ መንገዲ ሰላም ዝኽተልሉ እዋኑ ሕዚ እዩ” ክብል'ውን ኣጽነዖት ገይርሉ። ብሊንከን፡ ነዚ ንምትግባር ድማ፡ ኣመሪካ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት-ሕብረት ኣፍሪካ ዝካየድ ዘተ ሰላም ከምእትድግፍ ሓቢሩ። ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ሕብረት ኣፍሪቃ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ዘተ ሰላም ክሳተፉ ጸዊዑ ምናባሩ ዝዝከር ኮይኑ፣ ክልቲኦም ወገናት ድማ  ክሳተፉ ዘለዎም ድልውነት ገሊጾም ነይሮም። ይኹንእምበር፡ እቲ ልዝብ ዝካየደሉ ዕለት ብንጹር ብዘይተገልጸ ምኽንያት ከምዝተናወሐ ይዝከር። ሓደ ካብቶም ኣሸማገልቲ ሰለስተ መራሕቲ ኣፍሪቃ ነበር፡ ዝኾነ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር፡ ኡሁሩ ኬንያታ፡ ብገለ ምክንያታት ኣብቲ ሽምግልና ክሳተፍ ከምዘይክእል ገሊጹ። . ኣብ መጻኢ፡ ቀዲሙ ኣጀንዳን ኣገባብ እቲ ሽምግልና ክንጸረሉን’ውን ኣብ ደብዳብኡ ሓቲቱ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾነ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፡ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቡ ዘትዩ ኣሎ። ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኩናት፡ ብሰላማዊ መንገዲ ንኽውዳእ ንምሕጋዝ ናብ ኣፍሪካ ዝመጸ ኣምባሳደር ሃመር፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ኬንያን ኣዲስ ኣበባን ምብጻሓት የካይድ ኣሎ። ብመሰረት ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ፣ ኣምባሳደር ሓመር ትማሊ ዓርቢ ምስ ሚኒስትር ደመቀ መኮነን ብዛዕባ እቲ ኲናት ንምቁራፅ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ሰላም ተዘራሪቦም ኣለዉ። ኣቶ ደመቀ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሓባባሪን ነቲ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ድሉውን ምዃኑ ኣፍሊጡ። ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣሜሪካ እትርከበን ሽዱሽተ ምዕራባውያን ሃገራት፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ግጭትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣዝዩ ከምዘሸዓቕለን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣፍሊጡ ነይሩ። ኩሎም ወገናት ነቲ ግጭት ወታደራዊ ፍታሕ ከምዘይህልዎ ብምግንዛብ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበስልጣን ክልል ትግራይን ብሕብረት ኣፍሪካ ዝምራሕ ዘተ ክሳተፉ ፀዊዖም። ብዕለት 24 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ኽልተ ዓመት ዝመልኦ እዚ ኲናት፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንሞት ዘቃለዐ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዘማዛበለ፡ ከምኡ’ውን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ተጸበይቲ ሰብኣዊ ረድኤት ዝገበረ፡ ከምኡ’ውን ከቢድ ንዋታዊ ዕንወት ከምዘስዓበ’ዩ ዝግለጽ። ብፍላይ ኣብታ መሰረታዊ ግልጋሎት ዝተቛረጽዋ ክልል ትግራይ ድማ፡ ንዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ተቓሊዓ ከምዘላ ጸብጻባት ይሕብሩ። ብዙሓት ሰባት ብጥሜትን ሰኣን ሕክምናን ይሞቱ ከምዘለዉ ካብ'ታ ክልል ዝወጽኡ ሓበሬታት ይገልጹ።","category":"CATEGORY_TWO","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cld5z4e2d21o"} {"headline":"መንግስቲ ኤርትራ፡ ካህናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከምዝኣሰረ ተፈሊጡ","content":"ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጐስ ጳጳስ ዘመንበረ ሰገነይቲ፡ ቀዳም ንግሆ 15 ጥቅምቲ ካብ መገሻኦም ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ምስ ኣተው፡ ብኡ ንብኡ ኣባላት ጸጥታ ኤርትራ ተሲሮም ከምዝወሰድዎም ምንጭታት ካብ ውሽጥን ወጻእን ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም። ኣቡነ ፍቕረማርያም ድሕሪ ማእሰርቶም፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንዝምልከቶ ኣካላት መንግስቲ፡ ብዛዕባ ሃለዋቶም ምስ ሓተተት፡ “ሒዝናዮም ኣሎና” ዝብል ምላሽ ከም ዝተዋህበ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም። ይዅን እምበር መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ኣቡነ ብምንታይ ምኽንያት ከምዝኣሰሮም ዝዀነ ይዅን ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበን። ኣባ ፍቕረማርያም ሓጐስ፡ ከምቲ ቤተ ክርስትያን ንህዝቢ ብመንፈሳዊ ሓልዮትን ብፍቕሪን እትናብዮ፡ መንግስቲ ከኣ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብምቕራብ ንህዝቢ ከገልግሎ ኣለዎ ዝብል መንፈሳዊ ማዕዳኦም ከቕርቡ ዝጸንሑ ኣቡን ምዃኖም ይፍለጥ። ብተወሳኺ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንቆሞስ ቤተክርስትያን ቅዱስ ሚኪኤል ኣባ ምሕረትኣብ እስቲፋኖስ እውን ዝሓለፈ ሰሉስ ካብ ሰገነይቲ ንደልየካ ኣለና ኢሎም ከምዝወሰድዎም  ምንጭታትና ሓቢሮም። ሰበስልጣን መንግስቲ ንሃለዋት እቶም ካህን ብዝምልከት ካብታ ዝተኣስሩላ ሰዓት ክሳብ ሕጂ ዝዀነ ይዅን ሓበሬታ ኣይሃቡን። ኣበይ ከምዝተቐየዱን ስለምንታይ ከምዝተታሕዙን እውን ዝተገልጸ ነገር የለን። ብተወሳኺ፡ ኣብዚ ቐረባ ዕለታት ኣባ ኣብርሃም ዝተባህሉ ካህን ማሕበር ካፑቺኒ እውን ካብ ከተማ ተሰነይ ብኣባላት ጸጥታ ተኣሲሮም ከምዘለው ምንጭታትና ኣረጋጊጾም። ኵሎም እዞም ኣገልገልቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ኣቡንን ካህናትን ምኽንያት መእሰሪኦም ኣይተገልጸን። ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ዓድታት ጸንዓደግለ ዝጀመረ ሓያል ግፋን ሃድንን መንእሰያት፡ ናብ ኵሉ ከባቢታት ኤርትራ ከምዝለሓመን ኣዴታት ደቅኽን ኣምጽኣ እናተባህላ ይእሰራን ይጋፍዓን ከምዘለዋ ዝፍለጥ እዩ። እቲ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ግፋታት ንደቂ ኣንስትዮን ጸገማት ጥዕና ንዘለዎም ከይተረፈ ክሳብ ልዕሊ 55 ዝዕድመኦም ደቂተባዕትዮ ዒላማ ስለዝገብር ኣብ ህዝቢ ከቢድ ጭንቀትን ስንባደን ፈጢሩ ዘሎን እዩ። ካብታ ሃገር ዝውጽኡ ዘለዉ ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ፡ ምስቲ ዝካየድ ዘሎ ግፋታት ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ስድራቤታት ማእሰርቲን ምዕሻግ መንበሪ ኣባይትን ትካላትን ዝርከብዎ ምስርጣያት ብቐጻሊ ይካየድ ኣሎ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ብማሕበር ላሳለ እትመሓደር ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ሕርሻን ቴክኒክን ሓጋዝ ከምኡ’ውን ኣብ ደቀምሓረ እትርከብ ቤት-ትምህርቲ ቴክኒክ ዶንቦስኮ ከምዝሃገረ ይፍለጥ። ኣብ 2019 እውን ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፡ እምነት ሚስዮን፡ ኦርቶዶክስን፡ ከምኡ'ውን ሃይማኖት እስልምና ዝመሓደራ ንዝነበራ ኣብያተ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ሃጊሩ እዩ። ኣብ መላእ ሃገር ንዝርከባ ትካላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እውን ከም ዝወረሰን ኣብ እዋኑ ከምዝተቓለሐ ዝዝከር እዩ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ንኣዋጅ ቑጸሪ 73\/1995 መሰረት ብምግባር እየ ዝወርሰን ዘለኹ እዩ ዝብል። ነተን ትካላት ምስ ሃገረን ከኣ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ፡ እቲ ናይ ምህጋር ውሳነ ልክዕ ከምቲ ስርዓት ደርጊ ብ1982 ዓ\/ም ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ዝመሓደራ ዝነበራ፡ ከም ካምቦኒ፡ ላሳለን ቅድስቲ ሃናን ዝኣመሰላ ዘካየዶ ተግባር ከም ዝርእዮ እቲ ጉባኤ ገሊጹ ነይሩ። ኣቡናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን መንግስቲ ኤርትራ ንዅሉ ዘማእከለ ዴሞክራስያዊት ሃገር ክሃንጽን እቲ ዘሎ ምልካዊ ኣተሓሕዛ ንከቋርጽ ብተደጋጋሚ ክጽውዑ ጸኒሖምን ኣለዉን። ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ሓንቲ ካብተን መንግስቲ ወግዓዊ ኣፍልጦ ዝህበን ኣርባዕተ ትካላት ሃይማኖት እያ። ኣብዚ እዋን ርክብ መንግስትን ቤተክርስትያን ኣዝዩ ኣብ ዝተሓተ ደረጃኡ በጺሑ ከምዘሎ ይግለጽ። ኣብ መንግስቲ ኣሜሪካ ንጉዳይ ናጽነት ሃይማኖት ዝከታተል ኣካል፡ ኮሚሽን ኣህጉራዊ ናጽነት ሃይማኖት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ 2020 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ኤርትራ ምግሃስ ሃይማኖታዊ ናጽነት ከም ዝቐጸለን ኣብ ዝበኣሰ ኵነታት ከምዝወረደን ኣፍሊጡ ነይሩ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ 2018 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ግን፡ \"ኣብ ኤርትራ ግጉይ ስእሊ ወይ ዝንቡዕ ሓበሬታ ኣሎ ኰይኑ'ምበር፡ ኤርትራ መሰል እምነት ተኽብር ሃገር እያ\" ዝብል ምላሽ ሂቡ ምንባሩ ይዝከር።","category":"CATEGORY_TWO","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crg33yllzjro"} {"headline":"ፍርቂ ብርክታት ዕደና ፖታሽ ኤርትራ ንቻይናዊ ኩባንያ ክሽየጥ'ዩ","content":"ኣብ ኤርትራ ዓቢ ተስፋ ዝተነበረሉ ዕደና ፖታሽ ንምምዕባል ዝተመስረተ ኩባንያ ዳናካሊ (DNK) ኣብ ዕደና ኮሉሊ ዝነበሮ ብጽሒት ብምልኡ ክሸጦ ኣፈናዊ ስምምዕ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ። ኩባንያ ዕደና ዳናካሊ (ዲ-ኤን-ከይ) ብሰኑይ 03 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ኩባንያ ኮሉሊ ዝነበሮ 50 ሚእታዊት ብርክታት ንቻይናዊ ናይ ዕደና ትካል ክሸጦ ምስምምዑ ሓቢሩ'ሎ። በዚ መሰረት ሲችዋን (Sichuan Road and Bridge Group Co., Ltd.) ዝተባህለ ቻይናዊ ኩባንያ ዕደና 166 ሚልዮን ዶላር፡ ከምኡ'ውን ዝነበሮ ናይ 31 ሚልዮን ዶላር ዕዳ ክኸፍል ምዃኑ እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዳናካሊ ዝወጸ ሰነድ የረድእ። ግብሪ ምስ ከፈለ ድማ፡ ኣስታት 121 ሚልዮን ዶላር ኣብ ኢዱ ክቕበል ምዃኑ ዳናካሊ ገሊጹ ኣሎ። እቲ ፖታሽ ኣብዚ ዓመት'ዚ ንወጻኢ ክሰድድ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ኩባንያ ዕደና ኮሉሊ፡ ብዳናኪልን መንግስቲ ኤርትራ ዝውነን'ዩ። ሃገራዊ ኮርፖሬሽን ዕደና ኤርትራ ኣብቲ ኩባንያ 50 ሚእታዊት ብጽሒት ኣለዎ። ናይ ብርኪ ኩባንያ ዕደና ኮሉሊ (CMSC) ነቲ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ናይ ፓታሽ ፕሮጀክት ከማዕበል ብክልቲኦም ወገናት ዝቖመ ትካል ምዃኑ ይፍለጥ። ትካል ዕደና ኮሉሊ፡ ኣብ ጥሪ 2017 ኣብ ከባቢ ባዳ፡ ፍሉይ ስሙ ኮሉሊ ኣብ ዝተባህለ ቦታ፡ ፖታሽ ንምዕዳን ብወግዒ ፍቓድ ረኺቡ እዩ። እቲ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ዕድጊ ቅድሚ ምፍጻሙ ግን፡ ብወነንቲ ብርኪ ዳናኪል፡ ሃገራዊ ኮርፖረሽን ዕደና ኤርትራ፡ ሚኒስትሪ ጸዓትን ማዕድንን ኤርትራን ሰብመዚ ቻይናን ክጸድቕ ኣለዎ። እቲ ኣፈናዊ ስምምዕ ምስ ተፈጸመ፡ ኩባንያ ዳናኪል ሓድሽ ዳህሳስ ንምክያድ ህላወኡ ኣባታ ሃገር ክቕጽል ምዃኑ ሓቢሩ'ሎ። እቲ ኣብ ኣስመራ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ክሳብ ግንቦት ኣብ ዘሎ እዋን ክፍጸም ትጽቢት ይግበር። \"ብሰብ ብርኪ እንተጸዲቑን፡ እቲ ዕድጊ እንተ ተፈጺሙን፡ ዲ-ኤን-ከይ፡ 90 ሚእታዊት እቲ ዝተረኽበ ገንዘብ ንወነንቲ ብርኪ ዲ-ኤን-ከይ ከመቓርሖ'ዩ\" ይብል እቲ መግለጺ። እቲ ቻይናዊ ትካል፡ ቅድመ-ዕድጊ ዝፍጸም ገምጋም (ዱ ደሊጀንስ) ኣብ መወዳእታ ናይዚ ወርሒ ክውድእ ከምዝተሰማምዐ እቲ ሰነድ ጠቒሱ'ሎ። ትካል ጽርግያን ድልድልን ሲቹዋን (ኤስ ኣር ቢ ጂ) በቲ ኣብ ዙርያ ዓለም ኣብ ምስኣልን ምህናጽን ትሕተ ቅርጺ መጉዓዝያ ተወዳዳሪ ከም ዝኾነ ዝንገረሉ፡ ኩባንያ ሽዳዎ ዝውነን ኮይኑ ኣብ ዕዳጋ ስቶክ ኤክስቼንጅ ሻንጋይ ዝተመዝገበ እዩ። እቲ ትካል ኤርትራ ኣብ እትርከበን ልዕሊ ሰላሳ ሃገራትን ዞባታትን ዓለም ኣብ ዝተፈላለየ ዋኒናት ይነጥፍ። ትካል ጽርግያን ድልድልን ሲቹዋን ኣብ መጀመርታ 2016 ካብ መሻርኽቲ እቲ ብፕሮጀክት ኣስመራ ፈቓድ ዕደና ዝረኸበ ኣውስትራልያዊ ትካል ሳንሪጅ፡ ብ88 ሚልዮን ዶላር 60% ብርኪ ከምዝዓደገን፡ ካብቲ ንእምባ ደርሆ፣ ዓዲ ነፋስ፣ ጉፖ ጎልድን ድባርዋን ዝሽፍን ዕደና ፕሮጀክት ካብ 2016 ምህርቱ ጀሚሩ ክኸውን ከምዝኽእል ይግለጽ። ፖታሽዩም ሳልፌት ፖታሽ፡ ኣብ ምፍራይ ድዂዒ ዝውዕል ማዕድን ኮይኑ፡ ብመልክዕ ሳልፌት ምስ ዝከውን ፖታሽዩም ሳልፌት ወይ ሳልፌት ኦፍ ፖታሽ ይበሃል። ሳልፌት ኦፍ ፖታሽ ኣብ ምሕርቲ ፍሩታታት፡ ኣሕምልትን ዓይነታት ፉልን ዝኣመሰሉ ካብ ክሎራይን ነጻ ዝኾነ ድዂዒ ዘድልዮም ሕርሻዊ ፍርያት ንምፍራይ ዝውዕል ተጠላቢ ድዂዒ እዩ። እዚ ኣብ ዕደና ሳልፌት ኦፍ ፖታሽ ዝነጥፍ ኮሉሊ፡ ኣውስትራልያዊ ኩባንያ ዳናካሊ ምስ ሃገራዊ ኩባንያ ዕደና ኤርትራ ብሓባር ዘቖምዎ ናይ ብርኪ ኩባንያ ኮይኑ ከባቢ 13 ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ 2021 ወይ መጀመርታ 2022 ምፍራይን ናብ ወጻኢ ምስዳድን ክጅምር መደብ ከምዝነበሮ ሓለፍቲ ናይቲ ትካል ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር።","category":"CATEGORY_TWO","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/czdn9qe4314o"} {"headline":"ኣደታት ዓዲጥልያን፡ ንዓመታት ንሰውራ ኤርትራ ዝደገፋ ሃገራውያን ከመይ ኣለዋ?","content":"መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣደታት ዓዲጥልያን ክበሃል እንከሎ ነተን ኣብ ከተማታት ዓዲጥልያን - ሮማ፡ ሚላኖ፡ ፊረንሰ፡ ቦሎኛ፡ ፓርማ፡ ናፖሊ፡ ባሪ ... ወዘተ - ብፓስፖርት ኢትዮጵያ ክሰርሓ እተሰዳ፡ ኣብ ሽቕለት ተዋፊረን ብዅለንትነአን ንሰውራ ዝደገፈ ኤርትራውያን ኣደታት’ዩ ዘመልክት። ይዅን እምበር ኣብ ከም በዓል ሱዳን፡ በይሩት፡ ኩወይት፡ ብሪጣንያን ካልእን'ውን ንነጻነት ሃገረን ዝተቓለሳ ኤርትራውያን ኣደታት ኣለዋ። ኣብዚ እዋን ብዛዕባ ኣበርክቶ እዘን ኣደታት እናኽለዓል ቅድሚ ዅሉ ዝመጽእ ሕቶ እቲ ዝተቓለሳሉ ዕላማን መትከልን ከመይ ከምዘሎን፡ ትጽቢትን ክውንነትን ከመይ ከምዝተጋጠመ ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ ይብል፡ ብዛዕባ እዘን ዝጥቀሳ ዘለዋ ኣደታት ናይ ቀረባ ፍልጠት ዘለዎ ኣቶ ኤልያስ ሃብተስላሰ። እተን ኣብ ጽባሕ ነጻነት ካብ ሃገረ ስደተን ናብታ ዋጋ ዝኸፈላላ ብ1991 ነጻ ዝወጽአት ሃገረን ክምለሳ ዝሓልማ ዝነበራ ኣደታት ከምቲ ዝሓሰበኦ ኣይኰነለንን። እተን ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዘቤታዊ ዕዮ ተጸሚደን ከቢድ ስራሕ ዝሰርሓ ዝነበራ ኣደታት ኣክንዲ ንዓዲ ዝምለሳ፡ ብኣንጻሩ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን እቶም ንናጽነት ዝተጋደሉ ከይተረፈ ንስደት ይውሕዙ ብምህላዎም፡ ትጽቢትን ክውንነነትን ኤርትራውያን ከምዘይተጋጠመ ኣብ ሰብዓታት ኣብ ሮማ ዝነብር ዝነበረ ኣቶ ኤልያስ ይዛረብ። “መብዛሕተአን እተን ናይ ሰብዓታት ኣደታት ሕጂ ብዕድመ ደፊአን፡ ካብቲ ዓቢ ስእሊ ሰውራ ተገሊለን፡ ጥሮታ ወጺአን፡ ሓያሎ እውን ድሮ ካብዛ ዓለም ብሞት ሓሊፈን እየን። ብዙሓት ካብተን ብህይወተን ዘለዋ ከኣ ገና ኣብ ዓዲ ስደተን ኣብ ጥልያን ይነብራ ኣለዋ። ዛንታአን ከኣ ምስ ምንዋሕ ግዜ ዳርጋ ተረሲዑ ክበሃል ይከኣል፡” ይብል። እተን ኣብ ፈለማ 60’ታት ንዓዲ ጥልያን ዝኣተዋ ኣደታት፡ ኣብ ኤርትራ ይነብሩ ምስ ዝነበሩ ወሃብቲ ስራሕ ኢጣልያውያን እየን ዝሰርሓ ነይረን። ኣብ 1962 ስርዓት ሃይለስላሰ ንፈደራላዊ ውዕል 1952 ግሂሱ ንኤርትራ ምስተቘጻጸራ፡ ብዙሓት ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ኢጣልያውያን ንዓዶም ክምለሱ እንከለው፡ ንገለአን ሰራሕተኛታቶም ሒዞመን ንዓዲ ጥልያን ተመልሱ። ሓያሎ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝነበራ ኣደታት ከኣ ካብ ወደብ ባጽዕ ብመራኽብ ንናፖሊን ጀኖዋን ከምዝኣተዋ ገዲም ነባሪ ሮማ ኣቶ ኪዳነ የዘንቱ። ኣብቲ እዋን እንትርፎ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ፡ ኣብ ዓዲ ጥልያን ብዙሓት ጸለምቲ ስደተኛታት ዳርጋ ኣይነበሩን። ብ1919 ኣብ ቫቲካን ናይ ኢትዮጵያውያን ኮለጅ ተተኺሉ ስለ ዝነበረ ግን፡ ብቕሽነት ክስልጥኑ ዝለኣኹ ኤርትራውያንን ኢትዮጵውያንን ተመሃሮ ኣብ ሮማ ነይሮም። ኤርትራውያን ኣደታት ግን ዳርጋ ኣይነበራን። ካብተን ፈለማ 60ታት ዝዝከራ ምስ ዶክተር ቶማሲ ዝበሃል ጣልያን (ሓኪም) ዝሰርሓ ዝነበራ ንሮማ ዝኣተዋ ኣደይ ሳራ ሰለባ እየን። ንሰን ኣብ ቪያ ናስዮናለ ዝበሃል ዓቢይ ጐደና ይነብራ ምንባረን ይዝንቶ። “ኣብ ከባቢ 1972 ኤርትራውያን ኣደታት ብብዝሒ ንዓዲ ጥልያን ክስደዳ ጀመራ” ይብል ኪዳነ። ኣብ ኣስመራ ‘ኣጀንሲያ ማሪያ’ ዝበሃል ብሓንቲ ኢጣልያዊት ዝካየድ ቤት ጽሕፈት ነበረ - ናይ ስራሕ-ገዛ ኣብ ዓዲ ጥልያን ተቘጺረን ክሰርሓ ንዝደልያ ደቂ ኣንስትዮ እተሳልጥ ሰብ’ያ ነይራ። ብንየው ከኣ ምስ ሃብታማት ጠላይን - ኣብ ሰሜንን ማእከላይን ሸነኽ ኢጣልያ - እተታኣሳስር ኣጀንሲያ’ያ ነይራ። እተን ዝስደዳ ዝነበራ ኣደታት መብዝሕትአን ብትምህርቲ ንክደፍኣ ብዙሕ ዕድላት ዘይነበረን፡ ብጁዋትን ዓቢ ሓላፍነት ቤተ-ሰብ ዝተሰከማን እየን ዝነበራ። እተን ኣደታት፡ ስኣን ብቝዕ ማሕበራዊ ፍልጠት (ንኣብነት ብጕዳይ መሰላት ሰራሕተኛታት)፡ ብትሑት ደሞዝን ብዘይ ተጣበቕቲ መሰላተንን ብተኣማንነትን የዋህነትን ይሰርሓ ነበራ። እቲ ስራሕ ከቢድ ነበረ፤ ኣብ ሰሙን ክልተ ፍርቂ መዓልታት (ሓሙስን ሰንበትን) ጥራይ ከዕርፋ ይፍቀደለን፣ ኣብቲ ዝሰርሓሉ ገዛ ኸኣ ይሓድራ ነበራ። ብጽምዋ ይሽገራ ስለ ዝነበራ ድማ፡ ዝገበራ ገይረን ንሓድሕደን ብሰበ-ሰብ ኣቢለን ክጫነዋ ጀመራ። ቍጽረን እናበዝሐ ምስ ከደ ኸኣ ኣብ ማእከላት ከተማ ክተኣኻኸባ ጀመራ። ንኣብነት ኣደታት ሮማ ኣብ ስታስዮነ-ተርሚኒ (ማእከላይ መደበር ባቡር) ዝበሃል ቦታ ይእከባ ነበራ። እተን ኣደታት ኣብቲ ከባቢ ስታስዮነ ዓሲለን፡ ክዳን ሓበሻ ተኸዲነን ምርኣይ ንባዕሉ ንጣልያን ዓቢ ምርኢት ነበረ። ንኵነታት ንጥፈታት ኣደታት ዓዲጥልያንን (ከምኡ’ውን ምንቅስቓስ ኤ.ና.ሰ.ኤ. - ኤርትራውያን ንናጽነት ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ) ንምርዳእ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ኵነታት ምርዳእ ኣድላዪ’ዩ። ፈለማ 70’ታት ብውግእ ሓድሕድ’ዩ ዝዝከር። ህዝቢ ንሰላምን ሕብረትን እናጠለበ ኵነታት ሜዳ ግን ጽቡቕ ኣይነበረን። ተጋደልቲ ኣክንዲ ሓቢሮም ዝሰርሑ ነቲ ምስ ጸላኢኦም ክገጥምሉ ዝዓጠቑዎ ብረት ናብ ሓድሕዶም ኣቕንዑዎ። ኣብቲ እዋን’ቲ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ልዑል ተራ ነይርዎ። ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት፡ ተጋደልቲ ጀብሃ (ተ.ሓ.ኤ.) ኣብ ከተማ እናኣተዉ ብዙሕ ንጥፈታት የካይዱ ነይሮም። ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ውግእ ጻዕጺዑ ብዙሓት በርጌስ [ሲቪል] ይቐተሉ ስለዝነበሩ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ንኽቃለሱ ንሜዳ ይውሕዙ ነበሩ። ኣብቲ እዋን ከኣ ተሓኤ ኣስታት ሓደ ሽሕ ዝዀኑ እሱራት ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሰምበልን ዓዲዃላን ሓራ ኣውጺኦም። ብተወሳኺ፡ ኣብ ወኪዱባ፡ ኦምሓጀር፡ ኣቝርደት ጃምላዊ ግፍዒ ስለዝተፈጸመ፡ ህጹጽ ግዜ ተኣዊጁ፡ ብዙሓት ኣባላት ፖሊስ ኤርትራ ናብ ገድሊ ሰዲዖም። ኮንግረስ ጀብሃ፡ ንኣሕመድ ናስር ከም መራሒ መሪጾም  ምስ ዑስማን ሳልሕ ሳበ (ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ) ንሕብረት ክሰማምዑ፡ ብሸነኽ ህዝባዊ ግንባር ከኣ ንሳበ በቲ ምስ ጀብሃ ዘካየዶ ናይ ሕብረት ፈተነ ኰኒኖም ክንጽልዎ፣ ብሰንኪ እቲ ግፍዒ፡ ኣስታት 220,000 ኤርትራዊ ንሱዳን ከም ዝተሰዱን፡ ካብኣቶም'ውን ብዙሓት ንኤውሮጳ ከም ዝሰገሩን ኣቶ ኤልያስ ይዝክር። ብዛዕባ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ኣዕሚቝ ዝፈልጥን ተንታኒ ፖለቲካን ኤልያስ ሃብተስላሴ ከም ዝብሎ፡ ህዝባዊ ግንባር ንሳበ ምስ ኰነኑን ሰጐጉን፡ እቲ ብሳበ ኣቢሉ ዝመጽእ ዝነበረ ሓገዝ ምስ ተነፍጐም፡ ካልእ ኣታዊ ንምርካብ’ዮም ኣብ ኣደታት ዓዲ-ጥልያን ከድህቡ ዝጀመሩ፤ ከምኡ’ውን ናብቶም ኣብ ኣተንስ (ግሪኽ)፡ ሃገራት ዓረብ፡ ኣብ ፈቐዶኡ ዝነበሩ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት። “ምንቅስቓስ ሓፋሽ ውድባት ኣብ ፓዶቫ ዝበሃል ከተማ ብበዓል ነፍሲሄር ወዲ ቫካሮ (ተወልደ ተስፋማርያም) ክጅመር እዝከረኒ” ይብል ኤልያስ። “ኣነ ንሮማ ብታሕሳስ 1975 ምስ ኣተኹ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸራ ኣደታት ነይረን፣ ሚእቲ-ክልቲ-ሚእቲ ዝዀኑ ኤርትራውያን ከኣ ተወዳዲቦም ጸንሑኒ” ይብል። “በዓል ንጉሰ ዑቕበ (ኣብ ሚላኖ) በዓል ጎቴ፡ ኣሕመድ፡ ሃይለ ኣስፍሃ (ኣብ ሮማ)፡ ግርማይ ገብረማርያም (ሳንቲም) ኣብ ግሪኽ፡ ኰይኖም ከገልግሉ እዝከረኒ። ዓንዲ ሕቘ ናይቲ ምንቅስቓስ ግን ብርግጽ ኣደታት’የን ነይረን” ይብል። ርግጽ’ዩ፡ ኣደታት ንዓዲ-ጥልያን ብብዝሒ ዝሰገራሉ ዝነበረ ግዜ፡ ሰውራ ኤርትራ ኸኣ እናዓበየ ይኸይድ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ካድራት ኣደታት ሓደ ምንጪ ሓገዝ ምዃነን ኣስተብሃልሉ’ሞ ኣይጸንሑን፡ ኣብ ፈቐድኡ ኣደታት ዝነበራሉ ከተማታት ክውሕዙ ጀመሩ። ኣደታት ምንጪ ሞራላዊ ደገፍ፡ ምንጪ ናውቲ፡ ከምኡ’ውን ምንጪ ገንዘብ ስለ ዝነበራ ክውድብወንን ፖለቲካዊ ንቕሓት ክህብወንን ጀመሩ። ተዓወቱ ኸኣ። ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ጥራይ ዘይኰነስ ክልተ ግዜ ኣብ ኣኼባ ይሳተፋ ነበራ፤ ክብላ-ክብላ ኸኣ ዝተረፈ ናጻ ግዜአን ብምሉእ ንገድሊ ክዉፍያ ጀመራ። ወፈያታት ወሰኸ፡ ንመናበርን ንክራይ ገዛውቲ ካድረታትን (ቤት-ጽሕፈታቶም) ከምኡ’ውን ምግቦም ካብ ምኽኣል ሓሊፈን ኣብቶም ዝካየዱ ዝነበሩ ፕሮጀክትታት ምውጻእ ገንዘብ ይሳተፋ ነበራ፡ ይብል ኪዳነ። እተን ኣደታት ኣብ ዓዲ ንዝርከቡ ቤተሰበንን ንሰውራ ክሕግዛን፡ እቲ ሒደት ደሞዘን ተመቓቒሉ ግን ዒምም ከይበላ ወፈያአን ቀጸላ። ሕልመን ዝሓሸት ሃገር ምስ ኣምጻእና ክሓልፈልና’ዩ፡ ብምባል መዓንጠን ሸጥ ኣቢለን ዝከኣለን ከምዝገበራ፡ ኣቶ ኤልያስ ይሕብር። ካብ ሜዳ ኤርትራ ንሕክምና ዝመጹ ዝነበሩ ዉጉኣት ተቐቢለን፡ ኢደይ-ኢድኪ እናተበሃሃላ ዘስተናግዳሉ እዋን’ውን ነይሩ’ዩ።  በብእዋኑ መራሕቲ ክፍሊ ህዝቢ ካብ ሜዳ (ከም በዓል ስብሓት ኤፍረም ዘኣመሰሉ) በብተራ እናመጹ ዝያዳ ገንዘብ ንኸዋጽኣ ሰሚናራት እናዳለዉ ፖለቲካ ቀዳማይ ዕማመን ከም ዝኸውን ገበሩ። ሰሚናራት፡ ኣኼባ ፖለቲካዊ ንቕሓታት፡ ፈስቲቫላት፡ ቍጽሮም ወሰኹ።  ቀስ ኢሉ ቀዳማይ ተልእኾ ህይወተን ሰውራ ኤርትራ ኰነ፣ ምዑታት ኣደታት ሰውራ ተባሂለን ንኽጽውዓ በቕዓ። “ሰውራን ሓፋሽ ውዱባትን ቅዱስ ዕላማአን ኰነ ክበሃል ይከኣል” ይብል ኪዳነ። ‘ዓወታት’ ብቪድዮ ተቐሪጹ ካብ ሜዳ ይለኣኽ ስለዝነበረ፡ ኣብ ኣኼባ ‘ዓወታት’ እናዓለላ ወርቀን ቀንጢጠን ንሰውራ ክህባ ልሙድ ተርእዮ እናዀነ ከደ። ዓመታዊ ኣኼባ ቦሎኛ ኸኣ፡ ኤርትራውያን ካብ ምሉእ ዓለም ዝእከብሉ እዋን ስለ ዝነበረ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ይእከቡ ነበሩ።  ኣደታት ዓዲጥልያን ድማ ነዚ ዅሉ ህዝቢ ንኽናብያ ከም ስርሐን ሒዘን እንጀራን ቅጫን ሕምባሻን ክስንክታ፡ ኣጻብሕ ክሰርሓ፡ ክሳብ ናጽነት ንዅሉ ብዘይ ገለ ምዕዝምዛም ይሰርሓኦ ምንባረን ሰነዳት ይነግሩ። ኣብ ኢትዮጵያ ደርግ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ኵነታት ኤርትራ ክገድድ ጀመረ። ኣብ መታሕት ይዅን ማእከል ኣስመራ ቅትለት ወሰኸ። ኣደታት ዓዲጥልያን ንዓዲ ደዊለን ወረ ይረኽባ ስለ ዝነበራ፡ ወረ ተጋደልቲ ድማ ካብቶም ካድረታት (ብዝያዳ ካብ ካድራት ህዝባዊ ግንባር) ይረኽባ ስለ ዝነበራ፡ ኣብ ፖለቲካ እናጠለቓ ኸዳ። ንጡፋት ኣባላት ሓፋሽ ውዱባት ኰይነን ወፈያአን እናወሰኸ ከደ። “ይዅን’ምበር” ይብል ኤልያስ፡ “እቲ ቀንዲ ንሜዳ ዝስደድ ዝነበረ ሓገዝ ብ“ማሕበር ረዲኤት ኤርትራ” (E.R.A.) ኣቢሉ’ዩ ነይሩ። እቲ ኣብ ዓዲጥልያን ዝዋጻእ ዝነበረ ገንዘብ ነቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝካየድ ዝነበረ ስርሓት ይዓመሎም ነይሩ በሃላይ’የ” ይብል። ኣደታት ዓዲጥልያን ቀልበንን ሃለዋተንን ምስ ተጋደልቲ ኣሕዋተንን ደቀንን ብምኻዱ፡ ነተን ዘይተወደባ ብጾተን ንኽውደባ ይደፋፍአአን ከምዝነበራ፤ ምስ ግዜ ከኣ እቶም ካድረታት ‘መን ግቡኣ ከፈለት - መን ኣይከፈለትን’ ዝብል ምቍጽጻር ስለዘተኣታተው፡ እተን ብኡ-ንብኡ ክኸፍላ ዘይከኣላ ካብ ናይ ዝመጽእ ወርሒ ደሞዘን ክኸፍላ ይመባጽዓ ንሓንሳብ እውን ኣዋርቐን ዝህባሉ እዋን’ውን ከምዝነበረ ኣቶ ኤልያስ ይዝክር። ፖለቲካዊ ንቕሓተን ድሩት ብምንባሩ፡ ገሊአን ኣደታት ‘ምሁር ተበላጻይ’ ወይ ከኣ ‘ተመሃራይ ንኡስ ብርዡዋ’፡ ብምባል ናብቲ ግንባር ንዘይተወደበ ኸኣ ከም ጸላኢ ይርእያኦ ምንባረን ዝገልጽ ኣቶ ኤልያስ፡ ሕጽረታተን ብዘየገድስ ተወፋይነት ኣደታት ዓዲጥልያን ሓወልቲ ክትከለሉ ይግባእ ይብል ኣቶ ኤልያስ። ኣበርክቶ ኣደታት ዓዲጥልያን ብሓጺር ዛንታን ሒደት ቃላትን ዝግለጽ ኣይኰነን። ካብ ፈለማ ሰብዓታት ጀሚረን ክሳብ ግዜ ናጽነት ረብሪብና ከይበላ ኣብ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት፡ ኣብ ዓዲጥልያን ንዝነበሩ ካድረታት ይዅኑ ስንኩላን ተጋደልትን ብገንዘብን ጉልበትን ናውትን ብልዑል ዓቕመን ከምዘበርከታ ሓያሎ ተመራመርቲ ታሪኽ የዘንትው። ኣብ መወዳእታኡ ግን መብዛሕትአን ናብታ ዝተቓለሳላ ሃገር ተመሊሰን እቲ ዝተረፈ ዕድመአን\/ግዜ ጥሮታአን ብሰላም ቀሲነን ከሕልፋ ኣይከኣላን። ብ1991 እቲ ዝዓበየ ዝተኻየደ ጽንብል ብግዜ ናጽነት ነበረ። ኣደታት ዓዲጥልያን ጻምአን ዝረኽባሉ እዋን በጽሐ ኢሎም ዝገልጽዎ ሰባት ነበሩ። ምናዳ እተን ብሽቕለት ዝደኸማ፡ ብዕድመ ዝደፍኣ ኣደታት ንዓደን ተመሊሰን እፎይ ኢለን ዘዕርፋሉ ዘመን ኣተወ ይበሃል ነበረ። ሽዑ ዝተኣታተወ ዘይውዳእ ቢሮክራሲ ግን ዕንቅፋት ኰነን። ኣደታት ዓዲጥልያን እቲ ዝርካቡ ዝዓቘራኦ ገንዘብ ሒዘን፡ ንጥሮታአን ብግቡእ ክጥቀማሉ ኢለን ንኤርትራ ንኽምለሳ መደባት ሰሪዐን ክጽበያ ጀመራ። ገሊአን ድማ ኵነታት ንኽዕዘባ ኢለን ንዓዲ ክበጽሓ ጀመራ። መንግስቲ ግን ግደ ትጽቢት ደኣ ገበረን’ምበር መደበን ንኽሳኻዕ ኣይሓገዘን። ኪዳነ ሚኪኤል ከም ዝበሎ፡ “መብዛሕትአን ኣደታት፡ ንዓዲ ምምላስ’ምበር ካልእ ሕልሚ ኣይነበረንን። እተን ንኤርትራ ዝነበረን ዝሃባን ዝተበጀዋን፡ ብ \"ወፈራ\/መሸጣ ቦንድ መንግስቲ” እቶት ዘይርከቦ ቦንድ ክገዝኣ ጀመራ። እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ስልጣን ምስ ኣጣጠሐ፡ እተን ኣደታት ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ከም ጾር’ምበር ከም ኣደታት-ሰውራ ኤርትራ ገይሩ ኣይረኣየንን፡” ይብል።","category":"CATEGORY_TWO","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2pkwkq9zyo"} {"headline":"ጀርመን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዝምልከት ዘጽደቐቶ ሓድሽ ሕጊ እንታይ’ዩ?","content":"ኣብ ጀርመን ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣገደስቲ ሰነዳት መገሻ ንምርካብ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ መረጋገጺ ወረቐት ከቕርቡ ዘገድድ መስርሕ፡ ፌደራላዊ ቤት ፍርዲ ጀርመን ውዱቕ ከምዝገበሮ ተገሊጹ። መንግስቲ ጀርመን፡ ናብታ ሃገር ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣትዮም ዑቕባ ንዝሓተቱ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ከምኡ'ውን ብመስርሕ 'ምትእኽኻብ ስድራቤት' ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣባላት ስድራኦም ናብታ ሃገር ክኣትዉ ንዝደልዩ ኤርትራውያን፡ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ፖስፖርትን ካልእ መሰነይታ ሰነዳትን ከምጽኡ ከምዘለዎም ከገድድ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ውሽጢ ጀርመን’ውን እንተዀነ፡ እቶም እታ ዓዲ እትደልዮ ግቡኣት ኣማሊኦም ዜግነት ናይ ጀርመን ክወስዱ ዝግባኦም ኤርትራውያን፡ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ሰነዳት ከምጽኡ ከምዘለዎም ስለዝሕበሮም፡ ንጉዳዮም ብጠበቓ ንኽማጐቱ ናብ ዘየድሊ ወጻኢታት ክቃልዑ ምጽንሖም ዝሕብሩ’ውን ኣለዉ። ኣብ ሚያዝያ 2021 ብኣማኢት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ነቲ መንግስቲ ጀርመን ብዝኽተሎ ተሪርን ዘየድልን ሕግታት ኣብ ጸገም ብምውዳቘም ሰለማዊ ሰልፊ ምክያዶም ዝዝከር ኰይኑ፡ ቅድሚኡ’ውን ነቲ ጸገማት ንምፍታሕ ካብ ኣብያተ ፍርዲ ክሳብ ኣብ ጐደናታት ሰላማዊ ሰልፍታት ብምክያድ ጥርዓናቶም ከቕርቡ ጸኒሖም'ዮም። ኤርትራዊ ክኢላ ሕጊ፡ ዶ\/ር ዳኒኤል ረዘነ መኮነን ምስ ስጳኛዊት ሳራ ፓላሲዮስ ኣራፒለስን ብሓባር ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ሓደ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ኣዳልዮም ነይሮም። እቲ ብምትሕብባር 'ኢኳል-ራይት'ን 'ኢንተርናሽናል ረፊዩጂ ኣሲስታንስ ፕሮጀክት'ን ዝተባህሉ ተጣበቕቲ ጕጅለታት ዝወጸ ጸብጻብ፡ ሰብመዚ ጀርመን ዝጠልብዎ ወግዓዊ ሰነዳት መንነት ሓደ ካብ ማሕንቘታት መስርሕ ምጥርናፍ ስድራቤታት ምዃኑ የነጽር። ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ፡ ከም ፓስፖርት፡ ካርድ መንነት፡ ምስክር ወረቐት መርዓ፡ ጥምቀትን ልደትን ዝበሉ ሰነዳት ከቕርቡ ከምዝሕተቱ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ። \"ኤርትራ ብግቡእ ዝሰርሕ ስርዓተ-ሰነድ የብላን። ከምኡ ስለዝዀነ፡ ብዙሓት ምዕራፋት ሂወት (ከም ልደትን መርዓን) ብዘይ ወግዓዊ ሰነድ ይተርፉ\" ክብል ኢኳል-ራይትስ ይገልጽ። ኣብታ ሃገር ወረቐት ምስክር ልደት ብስሩዕ ከምዘይወሃብን፡ እቲ ዝወሃብ ንባዕሉ ሓደ ከምዘይኰነን፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ከምዝፈላለን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ። \"ከም ናይ ልደትን ካልኦት ኣገደስቲ ሰነዳትን ግድፈት ፊደላት ምርካብ'ውን ዘይልሙድ ኣይኰነን፡ ምኽንያቱ ጸገም ምዕሩይነት [standardization] ኣብ ኤርትራ ልሙድ ስለዝዀነ\" ድማ ይብል። ክኢላ ዓለምለኻዊ ሕግን ሰባዊ መሰላትን ዝዀነ ዶ\/ር ዳኒኤል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ዕላማ ናይቲ ጸብጻብ፡ ጥርዓናት እቶም ስደተኛታት ኣብ ኣብያተ-ፍርዲ ብምቕራብ ንጥብቅናን ምጕትን ከገልግል ትጽቢት ከምዘሎ ይገልጽ። ካብ ሃገሮም ሃዲሞም ዝወጹ ስደተኛታት ሰነዳዊ መርትዖታት ከቕርቡ ዝኽእልሉ መንገዲ ጸቢብ ምዃኑን፡ እቲ ዝቐርበሎም ዘሎ ቅጥዕታት ከኣ ርትዓዊ ከምዘይኰነን ይዛረብ። \"ንሓደ ካብ ሃገሩ ሃዲሙ ዝመጸ ስደተኛ፡ (ኤርትራውያን መብዛሕትኦም ብኸምኡ ስለዝኣትዉ)፡ ካብቲ ብቐንዱ ሃዲሙ ዝመጸሉ ሃገር፡ ኤምባሲ ከይዱ፡ ወረቐት ሰነድ ወይ ካልእ ነገራት ከምጽእ ክትሓቶ ቅቡል ኣይኰነን። \"ምኽንያቱ ናብታ ዝሃደምካላ ሃገር ተመለስ ኢኻ ትብሎ ዘለኻ፡ ወይ ከኣ ናብ ተደናጋጽነትን ምሕረትን ናይቲ ንዕኡ [መንግስቲ] ዝውክል ኤምባሲ ተመለስ ኢኻ ትብሎ ዘለኻ።\" እዚ ድማ፡ \"ምስቲ ንመሰል ስደተኛታት ዝምልከት ኣህጉራዊ ሕጊ ዝራጸም'ዩ\" ዝብል ዶ\/ር ዳኒኤል ረዘነ፡ ናብ ናይ ኤርትራ ኤምባሲ ኪዱ ምባል ነቶም ስደተኛታት \"ሓደጋታት ኣለዎ\" ብምባል ገሊጹ ነይሩ። ካብ ሃገሮም ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ካብ ኤምባሲታት ሃገሮም ዝዀነ ኣገልግሎት ንምርካብ ካብ ኣታዊኦም ክልተ ሚእታዊት ክኸፍሉ፣ ካብታ ሃገር ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ዝወጹ ስደተኛታት ድማ፡ ኣብቲ ኤምባሲ ቀሪቦም ወረቐት ጣዕሳ ክመልኡን ይግደዱ’ዮም። ካብዚ ብምብጋስ እተን ከም ሃገረ ጀርመን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ትርር ዝበለ ሕጋጋት ዘለወን ሃገራት፡ ነቶም ካብ መንግስቲ ኤርትራ ሃዲሞም ዝወጽኡ ስደተኛታት፡ \"ተመሊሶም ናብ መንግስቲ ኤርትራ ክሰግዱን መጋበርያ ናይቲ ዝሃደምሉ መንግስቲ ክዀኑን\" ከምዘገድዶም ርእይቶታት ክወሃበሉ ጸኒሑ’ዩ። ብሰሉስ ግን ፌደራላዊ ቤት ፍርዲ ጀርመን፡ ነቲ ጉዳይ መርሚሩ፡ እቶም ስድራኦም ክጥርንፉ ዘኽእል መሰል ዘለዎምን፡ ሕቶ ዕቝባኦም ቅብል ኰይኑ ክንሱ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ሰነዳት ከምጽኡ ዘይክኣሉን ብቐጥታ ፓስፖርት ክወሃቦም ዘኽእል ሕጊ ኣጽዲቝ። ነዚ ውሳነ ኣመልኪታ ኣብ ጀርመን እትነብር ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት ፌቨን ጊደወን፡ “ቅድሚ ሕጂ መንግስቲ ጀርመን ነቶም 'ብትራቭል ዶኵመንት' ናብ ጀርመን ክምጽኡ ዝኽእሉ፡ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ መረጋገጺ ኣምጽኡ ዝብል ሕጊ’ዮም ክኽተሉ ጸኒሖም፣ ሕጂ ግን እቶም ናብ ጀርመን ክኣትዉ ዘኽእል ምኽንያት ዘለዎም ብቐጥታ ትራቭል ዶኵመንት ክወሃቦም ጸዲቝ ኣሎ፣ ስለዚ ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ከይዶም 2 ሚእታዊት ክኸፍሉ ይዅን ናይ ጣዕሳ ክመልኡ ኣይክግደዱን’ዮም፡” ትብል። ቅድሚ ሕጂ ዝዀነ ብፖለቲካዊ ይዅን ብቝጠባ ዑቕባ ዝሓትት፡ ብምጥርናፍ ስድራቤት ናብቲ ሃገር ክኣቱ ንዝደሊ ብሓፈሻ፡ ብመንግስቲ ጀርመን፡\" መረጋገጺ ሰነዳት ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣምጽእ\" እዩ ክበሃል ጸኒሑ። ፌቨን ጊደወን፡ እዚ ክሲ ብሓደ ሰብ ከምዝተጀመረ ብምግላጽ፡ እንተዀነ ንብዙሓት ሰባት ከሳቒ ዝጸንሐ ጉዳይ ምዃኑን’ያ ትሕብር። “ገሊኦም ከይፈተዉ ሰነዳት ንምርካብ ንመንግስቲ ኤርትራ 2 ሚእታዊት ክኸፍሉን ናይ ጣዕሳ ፎርም ክመልኡ ዝተገደዱን ኣለዉ፣ ገለ ኸኣ ተበሳጭዮም ነዛ ዓዲ ገዲፎማ” ትብል። ንሳ ኣተሓሒዛ፡ “ኣብ ነሓሰ ኣብ ፌስቲቫል ናይ ኤርትራ ኣብ ዝነበረ ተቓውሞታትን፡ መንግስቲ ጀርመን ነዚ ክኽተሎ ዝጸንሐ ኣካይዳ ዝያዳ ከስተብህለሉን ጸገማት ኤርትራውያን ኣተኵሮ ክህቦን ደሪኹ’ዩ” ትብል። እቲ ፌደራላዊ ቤት ፍርዲ ጀርመን፡ ብ 1 C 9.21 ዝብል ዓንቀጽ ዝመሓላለፎ ውሳነ፡ ንብዙሓት በቲ መንግስቲ ክኽተሎ ዝጸንሐ ኣተሓሕዛ ኣብ ጸገም ዝወደቝ ኤርትራውያን መስተርሆት ከምዝፈጠረሎም ርእይቶኦም ክህቡ ጀሚሮም ኣለዉ።","category":"CATEGORY_TWO","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c1evz0kjxjwo"} {"headline":"ሓይልታት ትግራይ፡ ኩሎም ተወለድቲ ትግራይ ናብ ኲናት ክዘምቱ ጸዊዑ","content":"ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝዋግኡ ዘለው ሓይልታት ትግራይ ኩሎም ተወለድቲ ትግራይ ናብ ኲናት ክኸቱ ጸዊዖም። ትማሊ ምሸት ብቴሌቪዥን ድምጺ ወያነ ኣብ ዝተመሓላለፈ መግለጺ፡ “ህልውናና ንምርግጋጽ” ኩሎም ተወለድቲ ትግራይ “ኣብዚ ወሳኒ ምዕራፍ ዝበጽሐ” ኲናት ክሳተፍ ጸዊዑ። “ሃብትና ብምውዳድ ኣብቲ ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ዝበጽሐ ኲናት ብምስታፍ ህልውናና ንምርግጋጽ መንግስቲ ትግራይ ይጽውዕ” ይብል እቲ መግለጺ። መንግስቲ ፌደራልን ደገፍቱ መራሕቲ ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ መንበርታት ዒላምኡ ዘይፈለየ ደብዳብ መዳፍዕ ይፍጽሙ ከምዘለዉ ሰበስልጣን ትግራይ ከሲሶም። እቶም መጥቃዕቲታት ራማን ዓዲግራትን ዝርከብዎም ናብ ዶብ ኤርትራ ኣብ ዝቐረቡ ከባቢታት ዘነፃፀሩ ምዃኖም እውን እቶም ክልላዊ መራሕቲ ገሊጾም። መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ግን ዛጊት ኣብዚ ክሲ ርእይቶ ኣይሃቡን። እዚ ሳልሳይ ዙርያ ውግእ ምስ ተጀመረ፡ መንግስቲ ኤርትራ ዕድሚኦም ትሕቲ 55 ዓመት ዝዀኑ ዕቑር ሰራዊት ብህጹጽ ክኸቱ ጸዊዑ ነይሩ። እቲ ክልተ ዓመት ክመልኦ ቀሪቡ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ብዝተፈላለዩ ግንባራት ብዝካየዱ ዘለው ውግኣት ከም ዝቐጸለ ይግለጽ። እዞም ጻውዒት ዝተገብረሎም ኣባላት ሰራዊት፡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ እትዋሰነሉን ስግኣት ኲናት ኣለዎም ናብ ዝተባህሉን ከባቢታት ከም ዝተወስዱ ተገሊጹ ነይሩ። ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጽሓፎ መልእኽቲ፡ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ብዝተፈላለዩ ግንባራት ከም ዘዋፈሩ ይገልጽ። ንሱ ከም ዝበሎ እንተዀይኑ፡ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን መጠነ ሰፊሕ ጸረ መጥቃዕቲ ንምውሳድ ልዑል ወተሃደራት ዝሓዘ ሜካናይዝድ ሰራዊት ኣብ ጥቓ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት ዛላምበሳ፣ ጾረናን ራማን ኣውፊሮም ኣለው። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ዘተ ሰላም መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን ከም ዝተናውሐ ይዝከር። ኲናት ትግራይ ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ካብ ዝጅመር ንድሓር ናብ ጐረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒሙ ልዑል ሰብኣዊ ክሳራታት ከም ዘስዓበ ይፍለጥ። እቲ ኲናት፡ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ሃዲኡ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ኣብ መፋርሕ ወርሒ ነሓሰ ዳግም ከም ዝተወልዐ ይዝከር። ሰራዊት ኤርትራ’ውን ኣብዚ ኲናት ይሳተፍ ከም ዘሎ ይግለጽ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከበድቲ ውግኣትን ሰፊሕ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳትን ይካየድ ከም ዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ። እቲ ጎንጺ ዳግማይ ምልዓሉ፡ ነቲ ንሚልዮናት ዜጋታት ዝወሃብ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ክብል ጠንቂ ከምዝኰነ ዝገልጽ እቲ ውድብ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ክበጽሕ እንተዘይክኢሉ ሚልዮናት ንሓደጋ ጥሜት ከምዝቃልዑ ብተደጋጋሚ ከጠንቅቕ ጸኒሑ እዩ። ብሰንኪ'ቲ ኲናት፡ ሚልዮናት ሰባት ኣደዳ ጥምየት ክዀኑ እንከለዉ፡ ንዓጸቦ ዝተቓልዑ'ውን ውሑዳት ኣይኰኑን። ብፍላይ ኣብታ ኣብ ምሉእ ዕጽዋ እትርከብ ክልል ትግራይ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት፡ ባንክ፡ ተሌፎን፡ መብራህቲን መጓዓዝያን ብምቍራጹ ነበርቲ እታ ክልል ንሕሰም ተቓሊዖም ይርከቡ።","category":"CATEGORY_TWO","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c259nrr7831o"} {"headline":"ህልቂት ላምፔዱሳ፡ 'ዝነባዕናዮ ንብዓት ኣይርስዖን እየ'","content":"ህልቂት ላምፔዱሳ ድሮ ትሽዓተ ዓመቱ ገይሩ ከብቅዕ ንዓይ ግን ትማሊ ዝተፈጸመ ኰይኑ እዩ ዝስመዓኒ። ሃልሃልታ ናይታ ሓሙሽተ ሚእቲ ስደተኛታት ዝጸዓነት ኣብ ስግር ላምፔዱሳ ብባርዕ እትህሞኽ ዝነበረት መርከብ፡ ካብ ቅድሚ ዓይነይ ፈጺሙ ርሒቝ ኣይፈልጥን እዩ። ብውነይን ብሕልመይን ብኽያትን ኣውያትን ናይቶም ዓዲ ሰብ ኣቲና፡ ዓዲ ተስፋ በጺሕና ብምባል ብልዑል ሃንቀውታ መሬት ክረግጹ ዝጽበዩ ዝነበሩ ቈልዓ ሰበይትን መንእሰያትን እዝክሮ እሞ ክቈጻጸሮ ዘይክእል ንብዓት ይስዕረኒ። ቅድሚ እቲ እዋን ዝተፈላለየ ዛንታታት ምጥሓል ስደተኛታታት ዝጸዓና ጀላቡ ሰሚዕናን ሞት ናይ ፍትዋት ኣሕዋትን መቕርብን ተረዲእና ኢና። ግን ከኣ ነቲ ፍጻመ ብዓይንና ስለዘይረኣናዮ ከምዚ ናይ ላምፔዱሳ ገይሩ ኣይሃሰየናን። ምርኣይ ምእማን ስለዝዀነ ግን ሚድያታት ዓለም ንህልቂት ላምፔዱሳ ብድምጽን ስእልን ቀሪጸን ኣብ መስኮት ተሌቪዥናት ምስ ኣቕረባልና ዝተሰምዓና ስምዒት ዝነባዕናዮ ንብዓት ኣይርስዖን እየ። እቶም ኣብቲ ዘሕዝን ትራጄዲ፡ ደቈም ኣሕዋቶም መቕርቦም ዝጠፍእዎም ስድራ ቤታት ነቲ ፍጻመ ዕለታዊ ክዝክርዎ ባህሪያዊ እዩ። ዝበዝሐ ሰብ ግን ነታ ጸላም ናይ ሓደጋ ዕለትን ቅንያታን እዮም ዝዝክሩ። ኣብ ቦሎኛን ከባቢኣን እንርከብ ኤርትራውያን ንዝኽሪ ታሽዓይ ዓመት ህልቂት ላምፔዱሳ፡ ብሰንበት ክልተ ጥቅምቲ ንበይንና፡ ሰኑይ 03 ጥቅምቲ ከኣ ምስ ዝተፈላለያ ኢጣልያውያን ማሕበራት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ቦሎኛ ንዝኽሪ እቶም ግዳያት ዝወፈዮ ብስሞም ዝጽዋዕ ፓርክ ኣኽቢርናዮ። ኣብቲ ናይ ዝኽሪ ምትእኽኻብ፡ ሰብኣውነት ዝስመዖምን ስቓይ ስደተኛታት ዘሕምሞምን ግዱሳን ኢጣልያውን ንክብሪ እቶም ቅድሚ ትሽዓተ ዓመት ንቝጽ መሬት እናማዕደው ብሓደጋ ባርዕ ብጃምላ ዝሞቱ ልዕሊ 360 ኤርትራውያን ብሓባር ናይ ዝኽሪ ጸሎት ኣዕሪግና። ነብሲ ወከፍ እቲ ንዝኽሪ ዝተኣኻኸበ ሰብ ኣብታ ነቶም ብሓደጋ ዝተፈልዩና ኣሕዋት ንምዝካር ናይ ሕልና ጸሎት ከዕርግ እንከሎ፡ ርእሱ ዘድነነላ ሰዓት እንታይ ኮን ይዝክር ይህሉ ክብል እሓስብ ነይረ። እንተ ኣነ ኣብታ ጸሎተ ሕልና እነብጽሓላ ዝነበርና ደቒቕ ብሓሳብ ናብታ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ቅድሚ ትሽዓተ ዓመት ዝማዕክዋ ሰበር ዜና ተመሊሰ ነቲ እዋን ብሕልናይ ዳህሰስክዎ። ኣብተን ናይ ዝኽሪ ደቓይቕ ከኣ ፈለማ እታ ባባርዕ ሓዊ እትልብለብ ዝነበረት ኣማኢት ኣሕዋተይ ብኽፉእ ዝጠፍኡላ ጃልባን እቲ ማዕከናት ዜና ዓለም ዝቀባበላሉ ዝነበራ ትራጄዲን ተራእየኒ። ንባዕለይ ብኣጻምእ ሰሃራን በቲ ተደጋጋሚ ሓደጋ ጀላቡ ዘጋጥመሉ ማእከላይ ባሕሪ ስለዝመጻእኩ፡ እቶም ኣሕዋት ክብገሱ እንከለው ዝህልዎም ሻቕሎትን ብርሃን ላምፔዱሳ ምስ በጽሑ ዝሓደሮም ተስፋን ብዓይነ ሕልናይ ክስእሎ ፈቲነ። ሞት ንደቂ ሰባት ዝተዋህበና ትዕድልቲ'ኳ እንተዀነ ብኸምቲ ጃምላዊ ሓደጋ፡ ኣብ ሓደ ወጋሕታ፡ ልዕሊ 360 ሰባት ብባርዕ ሓውን ባሕርን ክጠፍኡ ኣብ ኣእምሮኻ ዘይሃስስ በሰላ’ዩ ዝገድፈልካ። ብፍላይ ዳሕራይ፡ እቶም ሕማቕ ሓደጋ ዘጋጠሞም ኣሕዋት “ ኣብ መጨረሻ ስንብታኦም ዝበልዎ” ካብቶም ውጻእ መዓት ክዝንቶ ዝሰማዕክዎ ልብኻ ዝትንክፍ ዘረባ ኣይርስዖን እየ። “እዋይ ኣነ ደቀይ ለከምኩኹም እባ” እናበለት ምስ ሰለስተ ደቃ ዝጠሓለት ወላዲት፡ ናይታ ንኢጣልያዊ ዳይፐር ዘንበዐት ኣብ ባሕሪ ዕሸል ዝተገላገለት መንእሰይ፡ “ሓደ ንወላዲተይ እየ፡ እንተድሒንኩም ነደይ ንገሩለይ!” እናበለ ዝተሰናበተ መንእሰይ፡ ብሓደ ተጓዒዞም መጺኦም ኣብታ መልኣከ ሞት ምስከተሮም ዝተፈላለዩ ኣሕዋት፡ ቤተሰብ፡ መቕርብ በብሓደ ኣብ ዝኽረይ መጺኦምኒ። እቲ ዝኽሪ ንዓይ ክሳዕ ክንድዚ ዘቃጸለንስ ነታ ሬሳ ውላዳ ዘይቀበረት ወላዲት፡ ነቲ ሬሳ ውላዱ ዘይረኣየ ወላዲ፡ ነቲ በዓልቲ ቤቱ ምስ ደቃ ክትሰግር ዝጽበ ዝነበረ በዓል ኪዳና፡ ነቶም ሎሚ ዶ ጽባሕ ይኣትው ይዀኑ እናበሉ ኣብ ስግር ማእከላይ ባሕሪ ብተስፋ ዝጽበዩዎም ዝነበሩ ኣሕዋትን መቕርብን ማዕረ ክንደይ የቐንዝዎም ከምዘሎ ክሓስቦ ይኸብደኒ። እቲ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ፈለማ ብማዕከን ዜናኡ“ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም!” ዝበለ ኣማኢት ዜጋታቱ ብጃምላ ዝሞቱዎ መንግስተይ፡ ዳሕራይ “እቲ ቀንዲ ተሓታቲ ስርዓት ዋሺንግተን’ዩ” ክብል እቲ ሓጢኣት ንኻልእ ከሰክሞ’ኳ እንተፈተነ፡ ንዓይ ሓዊስካ እቲ ዅሉ ንስደት ዝፈለሰ መንእሰይ ኤርትራ፡ ኣብ ዓዱን መሬቱን ስለዘይጠዓሞ፡ ሕልምታቱ ከተግብር ስለዘይከኣለ እምበር ከምቲ መንግስትና ዝብሎ፡ ብጻውዒት ሃገራት ምዕራብ ወይ ብምድፍፋእ ኣሜሪካ ኣይኮነን ካብ እንፈትዎም ወለድናን ህዝብናን ተሰዲድና። ኣብቲ ሓጺር ደቓይቕ፡ ዝኽረይ ናብትን ናብዝን ሒዙኒ ስለዝወናጨፍ ብዙሕ ክብል ክዝክርን ምደለኹ። እንተዀነ ኵላትና እቶም ነታ ዕለትን እቲ ፍጻመ ሓደጋን እንዝክር ሰባት ነናትና ዝኽሪ ስለዘለና፡ ሰንበትን ሰኑይን በዓለ ዝኽርና ከመይ ከምዝነበረ ብሓጺር ገሊጸ ክውድእ። ብዙሓት ኣሕዋት ሽዑኡ፡ ቅድመኡን ድሕሪኡን ዝሰምዕዎን ዝረኣይዎን ዝተመኮርዎን ምስክርነት ብምቕራብ፡ ንመጻኢ ከምኡ ዝኣመሰለ ጃምላዊ ህልቂት ንኸየጋጥም ምኽሪ ሂቦም። ነቶም ኣብ ኢጣልያ ዝተወልዱን ብናእሽትኦም ንስደት ዝሰገሩን ቈልዑ ቅድሚ ትሽዓተ ዓመት እንታይ ከምዘጋጠመን ስለምንታይ ብጸሎት ኣሕዋትና ንዝክር ከምዘለና ነጊርናዮም። ሓያሎ ኣሕዋት እውን ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ዝተገጥመ ልቢ ዝትንክፍ ፍርያት ስነ ጥበብ እውን ኣቕሪቦም። ልዕሊ ኵሉ ግን ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ንኽሰምዕ፡ ንኤርትራውን ኣሕዋትን ኣብቲ ዝኽሪ ዝተሳተፉ ግዱሳት ወከልቲ ዝተፈላለያ ማሕበራት፡ ከም ኣምኒስት ኢንተርናሽናል፡ ዩኤንኤችሲኣር፡ ኦኤኤስ ሜዲተራንያን፡ ሓካይም ብዘይ ዶብ ዝኣመሰሉ ንሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ዝቃለሱ ማሕበራት፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኣሕዋትናን ህዝብናን ዝወርድ ዘሎ ወጽዓን ሽግርን ጭንቅን ሕሰምን ነጊርናን ተሪኽናን ሕልናና ኣቕሲንና፡ ዳግማይ ከምኡ ዝኣመሰለ ጃምላዊ ቅዝፈትስ ይትረፍ፡ ሞት ውልቀ ስደኛታት ኣሕዋት እውን ከይንሰምዕ እናተመነና ነንቤትና ተፋኒና። ውልቃዊ ዝኽሪ ኣብ ታሽዓይ ዓመት ላምፔዱሳ - ኣብርሃም ተስፋይ","category":"CATEGORY_TWO","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cz7de7grkr4o"} {"headline":"ውግእ ኢትዮጵያ፡ ስእልታት ሳተላይት ኣብ ጥቓ ዶብ ኤርትራ ሰራዊት ክተኣኻኸብ የርኢ","content":"ስእልታት ሳተላይት፡ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዳግም ዝተወልዐ፡ ካብ ዓለም ዝተኸወለ ምስሊ ውግእ የርኢ። ኣብቲ ቦታ መራኸቢታት ብምቍራጹን ጋዜጠኛታት ናብቲ ዞባ ውግእ ምእታው ስለዝተኸልከሉን ብዛዕባ'ቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ምዕባለታት ጭቡጥ ሓበሬታ የሎን። ኣብዚ ወርሒ’ዚ ዝተወስደ ስእልታት፡ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣንጻር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዝገብሮ ዘሎ ኵናት ዝድግፍ፡ ኣብቲ ንኢትዮጵያ ንኤርትራ ዘዳውብ ቦታ ዝተኣኻኸበ ሰራዊትን ወተሃደራዊ ነቝጣታትን የርኢ። ኤርትራ ኣብ ቀረባ እዋን ንትግራይ ንምጥቃዕ ዕቝር ሰራዊታ ከምዘኽተተት ተገሊጹ እዩ። እቲ ውግእ ምእንቲ ሰብኣዊ ረድኤት ተባሂሉ ንሓሙሽተ ወርሒ ተቛሪጹ ድሕሪ ምጽንሑ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዳግማይ ተባሪዑ። ዓለማዊ ፕሮግራም ምግቢ ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ’ዚ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ውግእ ሓድሕድ፡ ኣስታት 13 ሚልዮን ሰባት ረድኤት ከምዘድልዮም ይሕብር ። እዚ ናይ መጀመርታ ናይ ሳተላይት ስእሊ ኣብ ሰሜን-ምዕራብ እትርከብ ከተማ ሽራሮ ኣብ ኢድ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝነበረትሉ ብ26 መስከረም ዝተወስደ እዩ። እዚ ኣብ ላዕሊ ተመልኪቱ ዘሎ ስእሊ፡ ካብታ ከተማ ንምብራቕ ዝወስድ ቀንዲ መገዲ እዩ። ኣብቲ ኣብ ጸጋማይ ሸነኽ ዝርከብ ቀንዲ መንገዲ፡ ታንክታት ተሰሪዐን ይረኣያ። ብየማን ከኣ እቲ ኣብ 2014 እተኸፍተ ናይ መጥባሕቲ ክፍልታት፡ ናይ ኤክሰረይ ህንጻ፡ ከምኡ'ውን 35 ዓራውቲ እተኸፍተ ሆስፒታል ማይ ዓይኒ ኣሎ። ኣስታት 150 ዝዀኑ ምናልባት ወተሃደራት ወይ ተጋደልቲ ክዀኑ ዝኽእሉ ሰባት ካብቲ ኣፍደገ ናብ ቀንዲ መንገዲ ኣብ ዝዝርጋሕ ኣብ መስርዕ ተሰሊፎም ይረኣዩ። እቲ ሆስፒታል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዕንወት ስለዘጋጠሞ ኣዝዩ ከም ዝተበላሸወ ጸብጻባት ሓቢሮም ነይሮም ። ኤምኤስኤፍ ዝተባህለ ትካል ግብረ ሰናይ፡ ሆስፒታል ማይ ዓይኒ ካብ መጋቢት 2021 ኣብቲ ክልል ዝርከባ መደበራት ጥዕና ከምኡ'ውን ሆስፒታል ማይዓይኒ ብፍላጥ ሰፊሕ መጥቃዕትን ዝምታን ከምዘጋጠመን ሓቢሩ ነይሩ። ካብተን ሽዑ ዝበጽሕወን 106 ማእከላት፡ እተን 13% ጥራይ እየን ንቡር ኣገልግሎት ዝህባ ነይረን። ዋላ’ኳ ናይ ኤምኤስኤፍ ገሊኡ ትካላት ጥዕና ካብ ዝምታ እንተደሓነ፡ ኣብቲ ክልል ዝርከብ መብዛሕትአን ማእከላት ጥዕና ኣገልግሎት ንኸይህባ ብፍላጥ ተበላሽየን እየን። ቢቢሲ ካብ ከተማ ሸራሮ ብምብራቕ ኣስታት 95 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ሽረ ንሓደ ላዕለዋይ ሰራሕተኛ ረድኤት ኣዘራሪብዎ ኣሎ። ንሱ ካብ ባሕቲ መስከረም ኣትሒዙ ኣስታት 210,000 ሰባት ካብ ሽራሮን ከባቢኣን ናብ ሽረ ሃዲሞም ከም ዝኣተው ይገልጽ ። \"እቶም ሰባት ካብታ ከተማ ቅድሚ ምውጻኦም፡ ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ቀጻሊ ዘየዕርፍ ምልውዋጥ ተዅሲ ነይሩ\" ክብል ንቢቢሲ. ሓቢሩ። ምእንቲ ድሕነቱ መንነት እቲ ሰራሕተኛ ረድኤት ተቐይሩ እዩ። እቶም ካብ ሽራሮ ሃዲሞም ናብ ሽረ ዝመጽኡን እቶም ናብ ሆስፒታል ሸራሮን ማይ ዓይኒን ተመዲቦም ዝተላእኩ ሰባት እተን ሆስፒታላት ኣብ ኢድ ሓይልታት መንግስቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ዘለዋ ምግላጾም ንቢቢሲ ሓቢሩ። ብ13 መስከረም ቅድሚ እዚ ስእሊ ሳተላይት ምውሳዱ፡ ሓላፊ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ንመራኸቢ ብዙሃን 'ቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ \"ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ሽራሮ ክሳብ ኣድመይቲ ተቘጻጺሮሞ ኣለው\" ኢሉ ነይሩ። ኣብዚ እዋን እዚ ሽራሮ ኣብ ኢድ መን ከምዘላ ንጹር ኣይኰነን። እቲ ኣብ ሽረ ዝሰርሕ ወሃብ ረዲኤት፡ ኵነታት መዓልታዊ እዩ ዝቀያየር ዘሎ ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ። እቲ ማክሳር ብዝተባህለ ኩባንያ ዝተላዕለ ስእሊ ከምዝሕብሮ ካብቲ ሆስፒታል፡ ሓደ ኪሎሜተር ኣብ ዘይመልእ ርሕቀት፡ ተጎታቲ መዳፍዕ ንተዅሲ ድሉው ኰይኑ ከምዘሎ የርኢ። እቲ መዳፍዕ ናበይ ከምዝቐንዐ ግን ንጹር ኣይኰነን ። ብዛዕባ ሽራሮ ዝምልከት ብወገን መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተዋህበ ርእይቶ የለን ። እንተዀነ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣሜሪካ ብዛዕባ እቶም ናብ ኢትዮጵያ ዝሰግሩ ወተሃደራት ኤርትራ ሻቕሎት ከም ዘለዋን፡ \"ሰራዊት ኤርትራ ደው ክብሉ ኣለዎም\" ኢሉ። \"ሰራዊት ኤርትራ ዶባት ሰጊሮም ዝገብርዎ ዘለው ንከታተሎ ኣለና። ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ምህላዎም፡ ነቲ ድሮ ዘሕዝን ኰይኑ ዘሎ ኵነታት ክሓላልኾ እዩ፡\" ይብል ሃመር። ብሸነኽ ሽራሮ ኣስታት ሽዱሽተ ኪሎ ሜተር ኣብ ዝርሕቀቱ ቦታ፡ 45 ዝኣኽላ መካይንን ብዙሓት ኣውቶቡሳትን ናብታ ከተማ ገጸን ዘምርሓ ዘለዋ ይመስላ። ካብኡ ሓሙሽተ ኪሎ ሜተር ኣብ ዝርሕቀቱ ከኣ፡ ኣስታት 20 ዝዀና ወተሃደራዊ መካይንን ኣውቶቡሳትን ዝሓቘፈ ቃፍላይ እውን ናብ ኣንፈት ሽራሮ ገጹ ኣቕኒዑ ይርአ። እዚ ካብ ሽራሮ ተበጊሱ ብሩባ ተከዘ ኣቢሉ፡ ናብታ ኣብ ምዕራብ ትግራይ እትርከብ ዝዓበየት ከተማ ሑመራ፡ ሰለስተ ሰዓት ዝወስድ መንገዲ ዓዲ ጎሹ፡ ካብ ኤርትራ 180 ኪ.ሜ ርሒቑ ይርከብ። ምዕራባዊ ትግራይ እቲ ግጭት ኣብ መወዳእታ 2020 ካብ ዝጅመር ንነጀው ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ እውን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ሚሊሻን ፋኖን እዩ ዘሎ። ክልል ኣምሓራ፡ ምዕራባዊ ትግራይ ናተይ እዩ ይብል። ኣብቲ ብሳተላይት ዝተላዕለ ስእሊ፡ ካብ መንገዲ ሽራሮ ርሕቕ ኣብ ዝበለ ቦታ፡ ኣውቶቡሳትን ወተሃደራውያን ተሽከርከርትን ኣብ ጥቓ ጽርግያ ዓዲ ጎሹ፡ ኣብ ሓደ ሓደ ህንጻታት ደው ኢለን ይረኣያ። ንጽባሒቱ ንግሆ ዝተላዕለ ስእሊ ሳተላይት ግን፡ ነተን ብድሮኡ ዘልዓለን መካይን ኣይረኸበነን። በዚ ከኣ እተን መካይን ተንቀሳቒሰን ናብ ካልእ ቦታ ከምዝኸዳ እዩ ዘመልክት። እቶም ናብ ሽረ ሃዲሞም ዝኣተዉ ሰባት፡ ኣብቲ ከባቢ ናይ ሓይልታት ምድፍፋእን ምቍጽጻር ቦታታትን ከምዘሎ ከምዘመልክት ይዛረቡ። ካብ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጽአ ውሽጣዊ ሰነድ ከምዝተመልከቶ፡ ክሳዕ 14 መስከረም፡ ኣብ ሽራሮን ከባቢኣን ኣብ እተገብረ ኲናት፡ ብውሑዱ 10 ሰባት ተቐቲሎም። ሓደ ላዕለዋይ ሰራሕተኛ ረድኤት፡ ካብቲ ከባቢ ድሮ 210,000 ሰባት ከምዝሃደሙን ካብኦም እቶም 45,000 ኣቐዲሞም ካብ ምዕራባዊ ትግራይ ዝሃደሙ ተመዛበልቲ ምዃኖም ይገልጽ። ብተወሳኺ ማክሰር፡ ብ19 መስከረም ኣብ ከባቢ ከተማ ሰርሓ ኣብ ኤርትራ ዝተወስደ ስእልታት ሳተላይት ኣውጺኡ ኣሎ። እዚ ስእሊ እዚ ካብ ዶብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ኣብ ዘይትርሕቕ ከተማ ዛላምበሳ ኣብ ሓደ ኪሎሜተር ርሕቀት ዝተሳእለ እዩ ። እዚ ምስልታት እዚ ካብ ዝተወስደላ መዓልቲ ጀሚሩ ከኣ፡ ሰበስልጣን ትግራይ፡ “ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንብምሉኡ ሰራዊቱን ዕቝር ሓይልን ምሊሻን ኣኻኺቡ ብሸነኽ ዛላንበሳ ከቢድ መጥቃዕቲ ይፍጽም ኣሎ” ክብሉ ገሊጾም። ማክሳር [ምስሊ እተልዕል ሳተላይት] ካብ ከተማ ሰርሓ ብሸነኽ ሰሜን ኣብ ዝርከብ ቦታ፡ ኤም-46 ዝበሃል ናይ ሜዳ ባትሪ ተዅሲ [ጕጅለ መዳፍዕ]  ምዃኑ የርኢ። ብሸነኽ ደቡብ እውን ኣብ ጥቓ መካነ-መቓብር ኰይኑ፡ ናይ ኤስ 21 ኤስፒን ሃውቲዘር ባትሪ መዝጊባ። እተን መካይን ካብቲ  ቦታ ቅሩብ ፍንትት ኢለን ብንጹር ይርአያ። ማክሰር፡ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ ካብ ሓደ ኪሎ ሜተር ኣብ ዘይርሕቕ ተሽከርከርቲ ውግእ ኣለልያ ኣላ። እቲ ቦታ ከኣ ቀንዲ መስመር ውግእ ምዃኑ የርኢ። ካብቲ ቦታ ብእግሪ ናብ መሬት ኢትዮጵያ ኣብ ርብዒ ሰዓት ክትኣቱ ትኽእል። ስእሊ፡ Maxar Technologies Inc","category":"CATEGORY_TWO","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ce7yx3nd0exo"} {"headline":"ጀነራል እያሱ መንገሻ ብሩ - ሓርበኛ፡ ኮማንደር፡ ሚኒስተር፡ ኣምባሳደር፡ ተጋዳላይ","content":"ብዛዕባ ጀነራል እያሱ መንገሻ ብሩ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ይዅን ኢትዮጵያ እኹል ኣፍልጦ የለን ክበሃል ይከኣል። ጀነራል እያሱ፡ ብ1916 ኣብ ከረን ተወሊዶም፡ ብ2005 ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝዓረፉ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ልዑል ታሪኽ ዝነበሮም ሰብ ነበሩ። ታሪኽ ጀነራል እያሱ መንገሻ ንምርዳእ ብወላዲኦም (ኣቶ መንገሻ ብሩ) ከምኡ’ውን ብኣባሓጐኦም (ኣቶ ብሩ ጴጥሮስ) ምጅማር ኣገዳሲ እዩ። ኣቶ መንገሻ ብሩ፡ ወላዲኦም ንጀነራል እያሱ፡ ብዘበን ዳግማይ ሚኒሊክ ታሪኽ ዝሰርሑ ሰብ ነበሩ። ብ1888፡ ኣብ እምኵሉ፡ ኣብ ጥቓ ባጽዕ ዝርከብ ዓዲ - መደበር ሚስዮን ሽወደን ዝነበረ - ብሚስዮናውያን ብስርሓት ቤት-ማሕተምን ምምህርናን ዝሰልጠኑ ሰብ ነበሩ።  ኣቶ መንገሻ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ብዘመን ዳግማዊ ሚኒሊክ ንኢትዮጵያ ዝፈለሱ ኤርትራዊ እዮም። ተቓውሞ ኣቶ መንገሻ ንኽንርድኦ እቲ ዘመን’ቲ ብሓፈሻኡ ምግላጹ ከድሊ’ዩ። ብ1872 ግብጻውያን ንድፋዓት ገማግም ባሕሪ ኣደላዲሎም ምስ ሓዙ፡ ንባጽዕ፡ ሕርጊጎ፡ ከረን ክቈጻጸርወን ከኣሉ። ሽዑ ቨርነር ሙንዚንገር ዝተባህለ ወጻእተኛ ብደገፍ ግብጺ ነቲ ዞባ ከመሓድር ዝጀመረሉ እዋን ነበረ፤ ሃጸይ ዮሃንስ 4ይ ድማ መከቶ። ድሕሪ ሒደት ዓመታት (1875-1876) ሃጸይ ዮሃንስ ንግብጻውያን ኣብ ጎዳጕድን ጉራዕን ሰዓሮም። ጸኒሑ፡ ብ1879፡ ራእሲ ኣሉላ ከም ኣመሓዳሪ ከበሳ ኰይኑ ንኤርትራ ተላእከ። ብ1885 ጣልያን ብገማግም ቀይሕ ባሕሪ  ኣትዮም ንባጽዕ ምስ ተቘጻጸሩ፡ ግብጻውያን ካብ ኤርትራ ለቐቝ። ክልተ ዓመት ጸኒሑ ከኣ ኣሉላ ንጣልያን ኣብ ዶግዓሊ (ከባቢ ባጽዕ) ሰዓሮም። ይዅን’ምበር ጣልያን ብ1889 ንኣስመራ ደፊኦም ብምእታው ተቘጻጸርዋ’ሞ፡ ብዕሊ ኸኣ ንኤርትራ ግዝኣቶም ገበርዋ። ኣብቲ እዋን እምበኣር፡ ኣቶ መንገሻ ንመግዛእቲ ጣልያን ብመሰረቱ ይቃወምዎ ስለ ዝነበሩ፡ ካብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ርሒቘም ጠቕሊሎም ንኢትዮጵያ ገዓዙ። ዶ\/ር ቀሺ እዝራ ገብረመድህን ኣብ ‘ከኒሻ’ ዝተባህለ መጽሓፎም ከም ዘዘንትውዎ፡ ኣቶ መንገሻ ብ1907 ናብ ኢትዮጵያ ምስ ገዓዙ፡ ብኽእለቶም - ስርሓት ቤት-ማሕተም ምዃኑ’ዩ - ብሃጸይ ሚኒሊክ ንማሕተም ዘድሊ ኣቝሑት (ማሽናት፡ ወረቐት ማሕተም፡ ፊደል-ሕትመት ... ወዘተ.) ንክሽምቱ ንኤውሮጳ ተላእኩ፤ እቲ መደብ ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤት-ማሕተም ንክቐውም ነበረ። እቲ ዛንታ ንምሕጻሩ፡ ኣቶ መንገሻ ካብ መገሻኦም ምስ ተመልሱ ኣብ ደሴ ንልዕሊ ኣርብዓ ዓመት ከም መምህርን ሓለቓ ቤት-ትምህርትን ኰይኖም ኣገልገሉ። ምትእስሳር ኣቶ መንገሻ ምስ ነገስታት ኢትዮጵያ ብወላዲኦም፡ ኣቶ ብሩ ጴጥሮስ፡ ኣቢሉ’ዩ ጀሚሩ። ኣቶ ብሩ ጴጥሮስ፡ ኣቦሓጐኦም ንጀነራል እያሱ፡ ብ1830 ኣብ ወልቃይት ካብ ቤተሰብ ኣቕሽሽቲ ተወልዱ። ብ’ብሩ ወልቃይት’ ከኣ ይጽውዑ ነበሩ። ንሶም ሓደ ካብቶም ኣብ ኤውሮጳ ዝተማህሩ ባሃር ኢትዮጵያዊ\/ኤርትራዊ ነበሩ። ብ1848 ኣቶ ብሩ ጴጥሮስ ምስ ኣኮኦም ዝብጽሕዎም ደብተራ ተወልደመድህን ኰይኖም ብስራሕ ምኽንያት ንእየሩሳሌም ተጓዕዙ። ብእኡ ኣቢሎም ከኣ ንኽምሃሩ ኣብኡ ተረፉ፤ ተማህሩ ኸኣ። ብተወሳኺ ትምህርቶም ንኽቕጽሉ ንማልታ (ኤውሮጳ) ሰገሩ። ኣብ ማልታ ኸኣ ቋንቋታት ላቲን፡ ዓረብኛ፡ እንግሊዝኛ፡ ፈረንሳይኛ ተማህሩ። ኣቶ ብሩ ጴጥሮስ ንኢትዮጵያ ተመሊሶም ንሃጸይ ቴዎድሮስ ከም ኣስተርጓሚ ኰይኖም ኣገልገሉ። ጸኒሖም፡ ንሰሜን ብምጕዓዝ፡ ፍሉይ ልኡኽ ሃጸይ ዮሃንስ ኰይኖም ኣብ ባጽዕ ተመደቡ። ካብኡ ኣጋይሽ መሪሖም ንመተማ እናተመላለሱ ንሃጸይ ዮሃንስ የገልግሉ ነበሩ። ንጉስ ምስ ወጻእተኛታት ኣብ ዝራኸብሉ እዋን ድማ ከም ኣራኻቢ መኰነን (ሊያዞን ኦፊሰር) ኰይኖም የገልግሉዎም ነበሩ። እዚ ድሕረባይታ’ዚ ኣብ ግምት ብምእታው ናብ ጀነራል እያሱ መንገሻ ንስገር። ጀነራል እያሱ መባእታ ትምህርቶም ኣብ ከረን፡ ብድሕሪኡ ኸኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተማህሩ። ምስ ጐበዙ ኸኣ ትምህርቶም ኣብ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ፈረንሳ ንኽቕጽሉ ተመሪጾም ንፓሪስ ተጓዕዙ። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ኣካደምያውን ወተሃደራውን ስልጠና (ልምምድ ውግእ፡ ምህናጽ ኣካላት፡ ወተሃደራዊ ስትራተጂ፡ መሪሕነትን ውደባን) ተማሂሮም ንኢትዮጵያ ተመልሱ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣባል ክቡር ዘብዐኛ ኰይኖም ወተሃደራዊ ስርሖም ጀመሩ።  ኣብቲ እዋን’ቲ (1935) ጣልያን ንኢትዮጵያ ስለ ዝወረረት ንምክልኻል ንማይጨው ተላእኩ፤ ኣብኡ ኸኣ ኣብቲ ውግእ ተሳተፉ። ጣልያን ደፊኦም ንጉስ ሃይለስላሰ ንኽስደዱ ኣብ ዝተገደዱሉ፡ እያሱ መንገሻ ንጃንሆይ ክሳብ ጅቡቲ ኣሰነይዎም’ሞ ናብቲ ውግእ ተመልሱ። እያሱ መንገሻ ኣብ ውግእ ብጣልያን ተማሪኾም ኣብ ሶማልያ ዝርከብ መዓስከር ጣልያን ከኣ ተኣስሩ። ኣብ ሶማል ካብ 1937-1941 - ክሳብ እንግሊዝ ዝኣተወሉ ግዜ ምዃኑ’ዩ - ተኣስሩ። እንግሊዝ ምስ ኣተወ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም ኣብቲ ብእንግሊዝ ዝምራሕ ዝነበረ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢትዮጵያ፡ ብመዓርግ ካፕቴን ሓይሊ ፖሊስ ንኽሃንጹ ተጸውዑ።  ኣይጸንሑን ከኣ፡ ብመንፍዓቶም መዓርግ እናወሰኹ ቅልጡፍ ዕብየት ኣርኣዩ። ሰላም ምስ ኰነ ንኽፍሊ ፖሊስ ኢትዮጵያ እናገልገሉ ንሚኒስትሪ ምክልኻል - ኣብ ትሕቲ ራእሲ ኣበበ ኣረጋይ - ከም ሊያዞን ኦፊሰር ኰይኖም የገልግሉ ከም ዝነበሩ መጻሕፍቲ ታሪኽ ይገልጹ። ዎልበርት ስሚዝ ዝበሃል ተመራማሪ ታሪኽ ኢትዮጵያ ከም ዘዘንትዎ፡ እያሱ መንገሻ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ተጋጭዮም ካብ ስልጣኖም ከም ዝእለዩ ተገብረ፣ ናብ ማጂ ዝበሃል (ኣብ ጠቕላይ-ግዝኣት ከፋ፡ ጥቓ ዶብ ሱዳን ዝርከብ ቦታ) ንሓደ ዓመት ተሓየሩ። ወተሃደርዊ ማዕርጐም ግን ኣይተቐንጠጡን። ካብ ማሕዩር ወጺኦም፡ ብ1950 ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝርከብ ብሉጽን ፍሉጥን መሰልጠኒ ውትህድርና (ወስት ፖይንት) ንተወሳኺ ትምህርቲ ተላእኩ። ትምህርቶም ፈጺሞም ከኣ ንኢትዮጵያ ተመልሱ። እያሱ መንገሻ፡ ብማዕርግ ብሪጋዴር ጀነራልነት፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ሕቡራት ሃገራትን ብምውካል ምስ ሓይሊ ዓቃብ ሰላም፡ ብ1960 ንኮንጐ ተላእኩ። ኣብ ኮንጐ ከም ኣዛዚ ወተሃደር ጥራይ ዘይኰነስ ከም ሓውሲ (ዘይዕላዊ) ኣምባሳደር ኢትዮጵያ - ኣብ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ፓትሪስ ሉሙምባ - ኰይኖም ኣገልገሉ። ዳግ ሃመርስሾልድ፡ ሽዑ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ንጀነራል እያሱ ከም ሓለቓ ስታፍ ወተሃደራት ሕቡራት ሃገራት ኰይኖም ከገልግሉ መረጾም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኮንጐ ዝነበረ ፓትሪስ ሉሙምባ ምስ ተቐትለ፡ ጀነራል እያሱ ነቲ ጕዳይ ክምርምሩ ተመዘዙ። እቲ ምርመራ ንኸካይዱ ንካታንጋ ዝተባህለ ቦታ (ሉሙምባ ዝተቐትለሉ ቦታ) ወተሃደራት ከግዕዙ ምስ ጀመሩ  ስርሖም ደው ከብሉ ብሃይለስላሰ ተኣዘዙ። ጀነራል እያሱ ንትእዛዝ ሃይለስላሰ ብምጥሓስ ስርሖም ቀጸሉ። እቲ ጕዳይ ከይተፈትሐ ጀነራል እያሱ ንኢትዮጵያ ከም ዝምለሱ ተገብረ። በቲ ጕዳይ ምስ ጃንሆይ ምትፍናን ከም ዝተፈጥረ ኸኣ ኣይሰሓትን። ዝዀነ ኰይኑ፡ ጀነራል እያሱ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ስርሓት ኣገልገሉ - ከም ሓለቓ ስታፍ (1968)፡ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ከም ክልል ሚኒስተር ኰይኖም ኣገልገሉ። ብ1970 ጀነራል እያሱ ከም ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ለንደን ኰይኖም ክሳብ (1974፡ ደርግ ኣብ ስልጣን ዝመጸሉ እዋን ኣገልገሉ። ኣመሓዳሪ ኤርትራ ንክዀኑ ብደርግ ተሸይሞም’ኳ እንተነበሩ፡ ነቲ ስልጣን ግን ነጸግዎ። በዚ ምኽንያት መንግስቱ ሃይለማርያም ካብ ስራሕ ኣባረሮም፤ ክሳብ 1991 ከኣ ኣብ ብሪጣንያ ተዓቚቦም ነበሩ። ጀነራል እያሱ፡ ብ1975፡ ኣብ ስደት ዝነበርሉ እዋን፡ ምስ ራእሲ መንገሻ ስዩም ሓቢሮም ዲሞክራስያዊ ሕብረት ኢትዮጵያ (ኢ.ዲ.ዩ. ወይከኣ  Ethiopian Democratic Union) ዝተባህለ ሰልፊ መስሪቶም፡ ኣብ ካርቱምን ለንደንን ኰይኖም ኣንጻር ደርግ ክንቀሳቐሱ ጀመሩ። ጀነራል እያሱ ከም ኣቦ መንበር፡ ራእሲ መንገሻ ኸኣ ከም ምክትል ኰይኖም ይንቀሳቐሱ ነበሩ። ሰነዳት ታሪኽ ከም ዘዘትውዎ፡ ጀነራል እያሱ ገንዘብ ናይ ምእካብ ዓቕሚ ስለ ዝነበሮም ካብ ሻህ ናይ ኢራን እኹል ገንዘብ ረኸቡ። በቲ ገንዘብ ከኣ ኣብ ሰገደ (ምዕራብ ትግራይ) ተጋደልቲ ኣዋፈሩ። ክኢላ ጐስጓሲ ስለ ዝነበሩ ኸኣ ደገፍ ብዙሓት ምሁራን ረኸቡ ይበሃል። ኣብቲ እዋን’ቲ ኢ.ዲ.ዩ. ንገዚፍ ግዝኣት ጐንደር (ሕጂ ምዕራባዊ ትግራይ) ክወሮ ከኣለ። ብ1977፡ ክሳብ 10,000 ዝግመቱ ደገፍትን ተሓባበርትን ተጋደልትን ነይሮሞ። ታሪኻዊ መዝገበ ቃላት ኢትዮጵያ ከም ዝሕብሮ፡ ብ1976 ኢ.ዲ.ዩ. ብደገፍ ሱዳን፡ ከምኡ’ውን ምስ ህዝባዊ ግንባር ተሓባቢሮም ንሑመራን መተማን ተቘጻጸረ፤ ንጐንደር ግን ክሕዛ ኣይከኣለን። ጸኒሑ ግን ጀነራል እያሱን ራእሲ ስዩም መንገሻን ብስነ-ሓሳብ እናተረሓሓቑ ከዱ፤ ውዒሉ ሓዲሩ ኸኣ እቲ ሰልፊ ኣብ ክልተ ተገምዐ። ጀነራል እያሱ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ርክባት ጀመሩ፣ ዝነበረ ንብረት ኢ.ዲ.ዩ. ንተጋዳላይ ስዩም መስፍን (ህ.ወ.ሓ.ት.) ኣብ ካርቱም ኣረከብዎ። ደርጊ ምስ ተሳዕረ፡ ኢ.ዲ.ዩ. ምስ ህ.ወ.ሓ.ት. ኣይተቓደወን፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዋዕላ ሰላምን ዲሞክራስን  (1-5 ሓምለ 1991) ስለ ዘይተዓደመ። ደሓር ግን፡ እቲ ብኢህወደግ ዝቘመ መንግስቲ  ኢትዮጵያ ንጀነራል እያሱ ብምዕዳም ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፈረንሳ ክዀኑ መዘዞም’ሞ፡ ካብ 1992 ክሳብ 1994 ኣገልገሉ። ከም ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቫቲካን ኰይኖም’ውን ኣገልገሉ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ዩነስኮ ከም ላዕለዋይ ወኪል ኢትዮጵያ ኰይኖም ክሳብ 1995 ኣገልገሉ። ብዕድመ ስለ ዝደፍኡ ካብ ስርሓት መንግስቲ ተገሊሎም ኣብ 89 ዕድሚኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሕማም ዓረፉ። ጀነራል እያሱ ብዛዕባ መበቈሎምን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ዝነበሮም ርእይቶታት ክርከብ ኣይተኻእለን። ኣብ ኢትዮጵያ ግን ዓቢይ ሓርበኛ፡ ኮማንደር፡ ሚኒስተር፡ ኣምባሳደር፡ ተጋዳላይ ከም ዝነበሩ፡ ኣብ ሰነዳት ታሪኽ  ሰፊሩ ንረኽቦ።","category":"CATEGORY_TWO","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv21zypy80vo"} {"headline":"ደቡብ ሱዳን 20 ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ጠሪዛ","content":"ደቡብ ሱዳን ብዘይወግዓዊ ሰነድ ናብታ ሃገር ክኣትዉ ረኺበዮም ዝበለቶም 20 ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን ከምዝጠረዘት ተገሊጹ። እቶም ስደተኛታት ካብ ዩጋንዳ፡ ሱዳንን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን  ዝተበገሱ ኮይኖም ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጁባ’ዮም ተታሒዞም። ሓላፊ ኢሚግሬሽን ደቡብ ሱዳን ሌተናል ጀነራል ኣተም ማሮል ቢያር፡ እቶም 20 ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ናብቲ ዝተበገስሉ ቦታ ከምዝተመለሱ ምግላጹ፡ ራድዮ ካቶሊክ ኔትዎርክ ነቲ ሓላፊ ብጥቃስ ገሊጻ። ሰብመዚ ኢሚግሬሽን ደቡብ ሱዳን፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም መበቆሎም ካብ ልዕሊ 20 ሃገራት ዝኾኑ ስደተኛታት ክሰጉ ምዃኖም ገሊጾምነይሮም’ዮም። ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ጁባ ምስበጽሑ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ እዞም ስደተኛታት ብዘይ ፓስፖርት ይኹን ናይ መገሻ ሰነድ ናብታ ሃገር ከምዝኣተዉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን። እቶም ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጁባ ዝተተሓዙ ስደተኛታት፡ ኣብ ሰሜናዊ ደቡብ ሱዳን ካብ ዝርከባ ከተማታት ቤንቲዩን ፓሎችን ብናይ ውሽጢ ሃገር በረራታት ናብ ጁባ ከምተጓዓዙ ሓደ በዓል ስልጣን ኢሚግሬሽን ተዛሪቡ። ኣብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ሓላፊ ኢሚግሬሽን ሌተናል ጀነራል ኣተም ማሮል ቢያር ናብ ዝመጹሉ ቦታ ከም ዝጥረዙ'ውን ገሊጹ። ናይ መገሻ ሰነድ ይኹን ምስ ዝኾነ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝንቀሳቐስ ትካል ርክብ ስለዘይብሎም ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ እቲ ሌተናል ጀነራል ወሲኹ ገሊጹ። ናይ’ቲ ከባቢ ጋዜጣ 'ዘ ዳውን'፡ “ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ሰነድ ዘይብሎም ሰባት ምቕባል ክንቅጽል ኣይንኽእልን። ናይ መገሻ ሰነድ ዘይሓዙሉ ምኽንያት እንታይ ከምዝኾነ ስለዘይንፈልጥ፡ ንሃገርና ኣብ ሓደጋ ከእትዋ ይኽእል’ዩ” ክብል ነቲ ጀነራል ብምጥቃስ ጸብጺቡ። እቶም ስደተኛታት፡ ክሳብ ዝጥረዙ ንወጻእተኛታት ኣብዝተዳለወ፡ ኣብ ጁባ ዝርከብ ፍሉይ ማእከል ስደተኛታት ኮሎሎ ተኣሲሮም ከምዝጸንሑ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን ኔረን። እታ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገረ ደቡብ ሱዳን ክነግዱ ናይ ዝመጹ ብዙሓት ስደተኛታት መዕረፊት እያ። ብሰንኪ እቶም ብቐሊሉ ዝስገሩ ዶባታ ግን ዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ክትቆጻጸሮ ተጸጊማ ትርከብ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፡ ኣብ ሱዳን ብፍላይ ከኣ ኣብ ካርቱም ዝነብሩ ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን፡ ብሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ብቐጻሊ እናተገፉ ይእሰሩን ዘይተኣደነ ገንዘብ ክኸፍሉ ይግደዱን ከም ዘለው፡ ምንጭታት ካብ ካርቱም ንቢቢሲ ሓቢሮም ምንባሮም ይዝከር። ብሰንኪ እዚ ካብቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ግፋታት ንምህዳም ብዙሓት ሰባት ናብ ደቡብ ሱዳንን ካልኦት ሃገራትን ክስደዱ ተገዲዶም ምህላዎም ይግልጽ።","category":"CATEGORY_TWO","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72jwx27nl8o"} {"headline":"ላምፔዱሳ፡ ታሽዓይ ዓመት ዝኽሪ ህልቂት ላምፔዱሳ","content":"ሰለስተ ጥቅምቲ 2013፡ 350 ኤርትራዉያን ዝርከቡዎም፡ ኣፍሪቃዉያን ስደተኛታት ጽዒና ካብ ሊብያ ትጉዓዝ ዝነበረት ጀልባ፡ ኣብ ኣፍደገ ደሴት ጥልያን ላምፔዱሳ ጥሒላ። ካብ ሽዑ ኣትሒዞም ከኣ ኤርትራውያን ነዛ ዕለት ብሓዘን ይዝክርዋ ኣለዉ። ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ኣብ ዝግበሩዎ ጉዕዞ ብዙሕ ግዜ ሓደጋ የጋጥም እዩ፤ ከምዛ ፍጻመ እዚኣ ህልቂት ዝተራእየሉን ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለም ዝተቓለሐ ሓደጋን ግን ውሑድ እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ፡ ኤርትራዉያን በብዓመቱ እዛ ዕለት ከም ሓንቲ ሕማቕ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ገይሮም'ዮም ይዝክሩዋ። እዛ ልዕሊ 500 ስደተኛታት ጽዒና ካብ ገማግም ሊብያ ዝተበገሰት መርከብ ንልዕሊ 25 ሰዓታት ብዘይጸገም እያ ተጓዒዛ። ናብ ደሴት ላምፓዱሳ ክትኣቱ ናይ ሓደ ኪሎሜተር ዝኸውን ርሕቀት ምስ ተረፋ ግን ብዝተፈላለየ ርእይቶ ብዝግለጽ ምኽንያት ባርዕ ሓዊ ኣጋጡሙዋ ጥሒላ። ኣብዛ መርከብ ዝነበሩ ተሳፈርቲ ንኹሉ ዓይነት ዕድመ ዝውክሉ ኮይኖም፡ ኣደ ምስ ዕሸላት ደቃ፡ ወላዲ ምስ ደቁ፡ አሕዋት፡ ደቂ ሓወቦታት፡ ደቂ ሓትነታት ፡ ደቂ ዓዲ፡ ደቂ ገዛውቲ በብጉጅለ ኮይኖም ንዝጀመረዎ ጉዕዞ ብሰላም ክውድኡ እናጸለዩን እናተዋዘዩን ኣብ ዝኸድሉ ዝነበሩ ህሞት ናብ ደሴት ላምፓዱሳ ንኽበጽሑ ኣስታት ሓደ ኪሎሜተር ክተርፎም ከሎ መርከብ ደው በለት። ኣብታ መርከብ ዝነበረ'ሞ ብሂወት ተሪፉ ዛንታ እታ ዕለት ክነግር ዝበቐዐ ኣድሓኖም ሰመረ፡ \" እቲ ካፕቴይን ሃንደበት ካብዚ ንንዮው ኣይንኸይድን ኢና፡ ኣብዚ ኮይናን ሓገዝ ክንጽበ ኢና\" ኢሉ ሓገዝ ንኽሓትት ንምልክት ኣንሶላ ብሓዊ ስለዘቃጸለ፡ እቶም ሰባት ሰንቢዶም ካብቲ ባርዕ ንኽሃድሙ ምስ ፈተኑ ሚዛን ናይታ መርከብ ከምዝዘበለን እቲ ሓደጋ ከምዘጋጠመን ይዛረብ። ብዘይካ'ዚ ኣድሓኖም፡ ካብ ሊብያ ኣብ ዝተበገሱሉ'ውን እዛ መርከብ ልዕሊ እቲ ዝግብኣ ሰባት ጽዒና ምንባራ ብምዝካር፡ እቶም ካብ ሊብያ ዘበገስዎም ዝነበሩ፡ ኣብ ምብጋሶም 25 ሰባት ካብታ መርከብ ኣውሪዶም ናብ ገማግም ሊብያ ከምዝተመለሱ ይዝክር። ካብቲ እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ሰዓት ኣርባዕተ ወጋሕታ ክሳብ እታ ካብ ባሕሪ ዝወጽኣላ ንዝነበረ ኩነታት ክዝክር እንከሎ ኣድሓኖም፡ \"እታ መርከብ ንየማን ምስተገምጠለት፡ ሓደ ሰዓት ዝኸውን ናብኣ ንሓኩር ትግምጠለና ንሓኩር ክሳብ ጠቕሊላ ትጥሕል ኣጽኒሓትና እያ\" ድሕሪ ምባል፡ ክሳብ ብሂወት ዘሎ ንዘልኣለም ካብ ኣእምርኡ ክእለ ዘይክእል ናይ ርድኡና ድምጺ ካብ ኩሉ ይስማዕ ምንባሩ ይዛረብ። \"በጃኹም ንስድራይ ንገሩለይ ዝብሉ፡ 'ሓምቢሰ ኣይክእልን እየ'፡ 'ኣነ ሓደ እየ ንስድራይ' ዝብል ዘረባታት ብፍጹም ካብ ሓንጎለይ ኣይእለን እዩ፤ ብፍላይ ሄለን እትብሃል ኣደ፡ 'ዋይ ደቀይ ለኪመኩም'ባ!' ክትብል እንከላ ክሳብ ሕጂ'ዩ ድምጻ ኣብ እዝነይ ዝመጽእ፤ 'ጓለይ ኣንታ ጓለይ' ዝብሉን ካልእ ረበሽቲ ድምጽታትን ኣይርስዖምን'የ\" ይብል። በዚ ሓደጋ'ዚ ሓዉ ዝሰኣነ ተቐማጢ ሽወደን ኣዳል ንጉሰ ብወገኑ፡ ንግሆ ተንሲኡ ሬድዮ ቢቢሲ እናሰመዐ፡ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ከምዝሰምዐን፡ ኣብ ሊብያ ዝነበረ ሓዉ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ናብ ጉዕዞ፡ ክንብገስ ቀሪብና ኣለና፡ ስለዝበሎ ሓወይ ምስታ ሓደጋ ዘጋጠማ ጃልባ ክህሉ ይኽእል እዩ ብምባል ከም ዝሰምበደ ይዛረብ \"ናብ ሊብያ ደዊለ ቅደሚ ሓደ መዓልቲ ተበጊሱ ኣሎ ምስ በሉኒ ሓወይ ኣብኡ ከምዝነበረ ተረዲኡኒ\" ድማ ይብል። እንተስ ብሂወት ክረኽቦ እንተስ ሞቱ ክርዳእ ትኬት ኣቁሪጹ ስእሊ ሓዉ ሒዙ ናብ ላምፔዱዛ ከምዝተበግስ ከኣ ይዛረብ። ከይውዓለ ከይሓደረ ናብ ላምፓዱሳ ዝበጽሐ ኣዳል ንጉሰ፡ ነቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት \"ነዚ ሰብ ትፈልጥዎ'ዶ?\" ብምባል ስእሊ ሓዉ ኣብ ዘርኣየሉ እዋን፡ ኣብ ገጽ እቶም ዝሓቶም ዝነበረ ምልክት ሓዘን እናተነበ፡ ርእሶም ብምንቕናቕ ናይ ኣይንፈልጦን ኢና ምልክት ሓበሬታ ይህብዎ ምንባሮም ይዝክር። ድሕሪ ክንደይ ግን ኣባላት ወኪል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወይ (UNHCR) ብምኻድ ስእሊ ናይ ሓዉ ብምሃብ ንኸጣይቕሉ ተወከሶም፡ ድሕሪ'ቲ ንዕኡ ነዊሕ ኮይኑ ዝተሰምዖ ትጽቢት \" እወ ሓውኻ ኣብዛ መርከብ ነይሩ'ዩ፡ ግን ኣይደሓነን\" ዝብል መልሲ ሒዘምሉ መጺኦም። ነዞም ግዳያት ሰለስተ ጥቅምቲ 2013 ንምዝካር፡ዓመት ዓመት ኣብ ላምፔዱዛ ዝኽሪ ይግበረሎም እዩ። ኣድሓኖም'ውን ነቶም ኣቲና እናበሉ ብሞት ዝተፈልዩዎ፡ መጓዕዝቲ ምድረበዳ ሰሃራን፡ ኣብ ሊብያ መኻፍልቲ ሽግሩን ዝነበሩ፡ ብዓቢኡ ከኣ ነቶም ኣብ ወጥሪ ሞት ኮይኖም፡ ይትረፉ ኣይትረፉ ከይፈለጡ፡ \"ኣነ ንስድራይ ሓደ እየ፡ ንስድራይ ንገሩለይ፡ ኣንታ በጃኹም ይመውት ኣለኹ፡ ዋይ ደቀይ ለኪመኩም እባ \" እናበሉ ዝጣርዑ ዝነበሩ መኻፍልቲ ሽግሩ ግን ከኣ ግዳይ እታ ርግምቲ ዕለት ዝኾኑ ብጾቱ ንምዝካር ናብ ላምፔዱዛ ተጓዒዙ። \" ምስቲ ከንቲባ ናያ'ዛ ዓዲ ተራኺብና ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተኸልናዮ 368 ዝኸውን ገረብ ኮስኪስና፡ ካብዚ ብተወሳኺ ንዝኽሮም ሓወልቲ ንኽስራሕ ፍቓድ ንኽህበና ሓቲትናዮ ኣለና\" ድሕሪ ምባል ብበሪ ኤውሮጳ ናብ ዝፍለጥ ዝፍለጥ ስፍራ ኮይኖም ጸሎት ከምዘብጽሑን፡ ናብታ እቲ ሓደጋ ዘጋጠመላ ቦታ ብሓሙሽተ ዝኾና መራክብ ከይዶም ዕንባባ ከምዘንበሩ ይዛረብ።","category":"CATEGORY_TWO","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-45743001"} {"headline":"ዶክተር ኒኮል ሂርት፡ 'ኣብ ኤርትራ ሕልሚ ኣይገሃድን’ዩ'","content":"ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ (1961-1991) ምስ ሓርነታዊ ቃልሲ'ቲ ህዝቢ ዝደናገጹን ዝሕግዙን፤ ከም 'Against all odds' ክብል ዝጸሓፈ ዳን ኮነል፡ 'Even the stones are burning' ዝበለ ሮይ ፓትማን፡ “ናደው፡ መዘና ዓወት ዴን ቤንፉ” ዝበለ ባሲል ደቪድሰን ካልኦት በብዓቕሞም ዘበርከቱ ኣብ ፈቐድኡ መጋባእያታትን መድረኽን ኣብ ኣህጉራዊ ሚድያታት ስለ’ቲ ቃልሲ ጐስጓሳት ዘካየዱን ብመጻሕፍትን ጆርናልን ንምዕባለ ቃልሲ ዘላለዩ፡ ኣውስትራልያውያን ኢጣልያውያን፡ ፈረንሳውያንን፡ ዜጋታት ብዙሓት ወጻእተኛታት ኣዕሩኽ ነይሮም። ካብዚ ታሪኻዊ ሓቂ ብምብጋስ ከኣ ‘ብዘይ ጽሑፋቶምን ምትሕብባሮምን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ህዝቢ ዓለም ኣይምተፋለጠን’ ዝብሉ ሓያሎ ተንተንቲ ፖለቲካ ኣለዉ። ድሕሪ ናጽነት፡ ኵነታት እናተለወጠ ምስ ከደ፡ ቅዋም ሃገር ምስ ደስከለ፡ ሃገራዊ ምርጫ ምስ ተረፈ፡ ናጻ ፕረስ ምስ ተዓጽወ፡ ማእሰርቲ ዜጋታት ምስ ሳዕረረ፡ ስደት ብተዓጻጻፊ ምስ ወሰኸ፡ እቶም እወታዊ ለውጢ ክተኣታቶ ብተስፋ ዝጽበዩ ዝነበሩ ወጻእተኛታት ኣዕሩኽን ተሓባበርቲን ቃልሲ በብሓደ ካብ ጸግዒ ኤርትራ ተኣልዩ። ሓንቲ ካብቶም ኣብ ኤርትራ መሰረታውን ዓይነታውን ለውጥታት ክተኣታቶ ልዑል ትጽቢት ዝነበራ ጀርመናዊት ተመራማሪት ዶክተር ኒኮል ሂርት እያ። ኒኮል ሂርት ‘ገሽተትን’ ኣብ እትበሃል ኣብ ዞባ ባደን-ቩርተንበርግ (ደቡብ ጀርመን) እትርከብ፡ ኣብ ጥቓ ኡልም ዝበሃል ከተማ ወይከኣ ካብ ሽቱትጋርት 100 ኪ.ሜ. ዝርሕቀታ ሓንቲ ንእሽቶ ቑሸት’ያ ተወሊዳን ዓብያን። ኒኮል ኣብ ሰማንያታት፡ ኣብ ፈለማ ዕስራታት ዕድመኣ ምዃኑ’ዩ፡ ምስ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተፋለጠት። እዚ ማለት ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣብቲ ዝነበረቶ ከባቢ ዑቝበኛታት ኤርትራውያን ተመዲቦም ምስ ኣተዉ፡ ንመጀመርታ እዋን ምስ ኤርትራውያንን ሽግራቶምን ተላለየት። ኣብቲ እዋን’ቲ ብፖለቲካ ግድስቲ ገስጋሲት መንእሰይ ብምንባራ፡ እቲ ገስጋሲ ባህሪ ሰውራ ኤርትራ ሰሓባ። ካብ 1986 ጀሚራ ኸኣ ንኤርትራ ኽትሕግዝ ተበገሰት። ንመትከላት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተቐቢላ ኸኣ ኣብ ህይወታ ዓይነታዊ መቐይሮ ኣታኣታተወት።  ንሓተትቲ ዑቕባ ኤርትራውያንን ንሓፋሽ ውድባትን ክትተሓበበር ጀመረት። ብፍላይ እቲ ቃልሲ፡ ንማዕርነት ደቀንስትዮ ዘኽብር ብምንባሩ ኣዝዩ ሰሓባ፤ ምስኡ ኸኣ ባህልን ልምድን ምግብን ኤርትራውያን ስለ ዝተሰማምዓ ካብኦም ሓደሓደ ቃላት ትግርኛ እናተማህረት ምስኦም ተጊሃ ክትሰርሕ ጀመረት። ሽዑ ምስ ኤራ (ERA) ዝበሃል ማሕበር ረዲኤት - ምስ ጨንፈር ጀርመን - ተሓባቢራ ብምስራሕ ንሰውራ ኤርትራ ገንዘብ ትእክብ ነይራ። ኣብቲ ዘመን’ቲ ኤርትራውያን ልደተ-ልደት ኣብ ጽርግያታት ከተማታት ጀርመን ወጺኦም ገንዘብ ይእክቡ ነበሩ። ኒኮል ድማ ብዝከኣላ መጠን ትተሓባበሮም ነበረት። ኒኮል ንኤርትራ ብመጽናዕትን በቲ ትገብሮ ዝነበረት ምትሕግጋዝን ጥራይ ኣይኰነትን ትፈልጣ። ብ1985፡ ምስ ሓደ ኤርትራዊ ሓዳር መስሪታ ሓንቲ ጓል ስለዝወለደት፡ ንኤርትራ ብመውስቦ እውን ትፈልጣ እያ። ሓደ እዋን ከኣ ኒኮል ንጓላ ምስ ዓዲ ኣቦኣ ከተላልያ ንኤርትራ ሒዛታ ከይዳ ነይራ። ምብጻሕ ጥራይ ዘይኰነ፡ ጓላ ኣብ ኤርትራ ምስኣ ንኽልተ ዓመት ናይ ምንባር ዕድል’ውን ረኺባ’ያ።  ስለዚ ንኤርትራ ዘለዋ ኣፍልጦ ልዑል’ዩ። “ናጽነት ኤርትራ ምስ መጸ ክቱር ሓጐስን ጽንብልን ህዝቢ ኤርትራ ብቐዳማይ ደረጃ ከስተማቕሮ ከኣልኩ” ትብል ኒኮል። “ኣብቲ ዝነበርክዎ ከባቢ ዝነበረ ፌስታ ክሳብ ሎሚ’የ ዝዝክሮ። ንነዊሕ እዋን ከኣ ዑቕበኛታት ንናጽነቶም ክጽንብሉ ሓደ ነገር ከስተብህል ጀመርኩ” ኢላ ንዝተራእያ ፍጻመታት ትገልጽ። “ከምቲ ኣነ ዝተጸበኽዎ፡ ኤርትራውያን ከምቲ ጌሮም ዝተቓልስዎን ዝነበሮም ፍቕሪ ሃገርን ንሃገሮም ክውሕዙ’ዮም ዝብል ትጽቢት ነይሩኒ። ኣነ ሽዑ ዝረኣኽዎ ሃገራውነት ምስቲ ዝተጸበኽዎ ዝመጣጠን ኰይኑ ኣይረኸብክዎን። ኣነ ዝመስለኒ ዝነበረ ተሓጕሶም ንሃገሮም ንኽሃንጹ ዝምለሱ’ዩ ዝመስለኒ ነይሩ። ኣይኰነን ግን፣ ሰብ ኣብ ምምላስ ዝሕጥ ክብል ርእየ፡” ትብል። “ኣነ ዘየስተብሃልኩሉ ግን ንሳቶም ዝተገንዘብዎ ዘየቕሰኖም ነገር ነይሩ ማለት’ዩ፣ ኵሎም ዓዲ ብምብጻሕ ኵነታት ዳህሲሶም ንዓዲ ስደት (ሃገረ ጀርመን) ይምለሱ ነበሩ። ብዙሓት ካባታቶም ናይ ጀርመን ወረቓቕቶም ኣሐዲሶም፡ ገሊኦም ከኣ መንነት ጀርመን ብምውሳድ፡ ኣብ ጀርመን ንሓዋሩ ዝተርፍሉ መዳያት ከደላድሉ’ምበር ንዓዶም ዝምለስሉ መዳያት ንክተሓሓዝዎ ኣይዓጀቦምን” ኢላ ነቲ ሽዑ ዝተጋህደ ኵነታት ኤርትራውያን ትገልጾ። ኒኮል ትምህርታ እናቐጸለት ካብ ጸግዒ ኤርትራ ኣየልገሰትን።  ንፈለማ ግዜ ብ1995 ንኤርትራ በጽሐት። ንመጀመርታ እዋን ንኣፍሪቃ ትበጽሕ ስለ ዝነበረት እቲ ኣብ ጀርመን ኰይና ብዛዕባ ኤርትራ ዘጽንዓቶ ምስቲ ምብጻሕ ከተነጻጽር ከኣለት። ኵሉ ግን ከም ሓደ ዓቢ ቅያ ገይራ ትርእዮ ነበረት። ዝዀነ ኰይኑ ኣብ ገጠራት ብምብጻሕ ኵነታት ሃገር ብቐረባ ክትዕዘብ ከኣለት። ኣብ ዝኸደቶ ቦታ ተመሃሮ ኣብ ናይ ሓጋይ ዕረፍቲ ኣገልግሎት ተጸሚዶም ክትርኢ ይዝከራ። “ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝኸድክዎ ቦታ እንቋዕ መንግስቱ ሃይለማርያም ከደልና ዘስምዕ ውዕዉዕ ሃገራዊ ስምዒትን ብሩህ መጻኢን ዘማዕድዉ ሰባት የጓንፍኒ ነበሩ፡” ትብል። እቲ ናይ ፒ.ኤች.ዲ. መጽናዕታን ዝኣከበቶ ሓበሬታን ብ1998’ኳ እንተወድኣቶ፡ ንምሕታሙ ኣይተሃወኸትን። እቲ ትሕዝቶ ምርምራ ብዛዕባ ኤርትራ ኰይኑ ምዕባለ ሃገር ናበይ ገጹ ይኸይድ ከም ዝነበረ ክትድህስስ ጀመረት። ሽዑ ዝነበሩ ፖሊሲታት መንግስቲ ብምፍታሽ፡ ርእሰ-ምርኰሳዊ ሞዴል ቍጠባ ብምጽናዕ፡ ኤርትራ ምስ ሃገራት ዓለም ዝነበራ ርክባት ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ምስ ሓለፍቲ መንግስቲ እናተራኸበት ዓሚቝ መጽናዕቲ ኣካየደት። ኣይጸንሐን ግን ብ1998ን ውግእ ኢትዮጵያን ኤርትራ ምስ ተጀመረ ኵነታት ከፍአ። መጽናዕታ ምስ ኣጠናቐቐት ድማ ነቲ እማመኣ ብመልክዕ መጽሓፍ ብ2000 ብቛንቋ ጀርመን ኣሕተመቶ። ዋላ’ኳ እቲ ውግእ ንብዙሓት ተስፋ እንተ ኣቝረጸን ክቱር ጸገም እንተ ፈጠረን፡ ኒኮል ተስፋ ከይቈረጸት ስርሓ ቀጸለት። ብ2001 ኵነታት ቅሩብ ምስ ሃድአ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ኰይና ተወሳኺ መጽናዕቲ ከተካይድን ክትምህርን ዳግም ተበገስት። ቀኒዑዋ ኸኣ ምርምራ እናካየደት ፖለቲካዊ ሳይንስ ክትምህር ጀመረት። ይዅን’ምበር፡ እቲ ውግእ’ኳ እንተ ኣብቅዐ፡ ኣብ ኤርትራ ቅሳነት ኣይነበረን። “ተመሃሮ ንዊዓ ክስደዱ፡ ሰበስልጣን-ነበርን ዓበይቲ ዓድን ክእሰሩ፡ ናብ ለውጢ ዘምርሑ ጐደናታት ምስ ተዓጽዉ፡ ብዙሕ ኣሉታዊ ሸነኻት ሃገር ክገሃደለይ ጀመረ” ትብል። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ንክልተ ዓመት ዝኣክል ዝመሃረትሉ እዋን ብዙሕ ዘየሕጕስ ነገራት ከም ዝረኣየት ትገልጽ። “ህዝቢ ፈሪሑ ድልየቱ ካብ ምዝራብ ዝተቘጠበሉ፡ ሓለፍቲ-ነበር ንለውጢ ብምጥላቦም ክዳጐኑ፡ ተመሃሮ ክህደኑ፡ ኣውራ ድማ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ቅልውላው ዝኣተወሉ፡ ከምኡ’ውን እቶም ተመሃሮ ንኽርዕዱ ስጕምትታት ዝተወስደሉ እዋን ነበረ፡” ኢላ ትገልጾ። “ከምኡ ኢሉ እንከሎ ግን ከም በዓል ዶክተር ኣሌክሳንደር ናቲ ዘኣመሰሉ መምህራን ብትብዓት ንሓቂ ክዕንቅፍ ንዝፍትን ዝነበረ ኣካል ብጥንቃቐ ክምክቱ እዝከረኒ” ትብል። “እቲ ኵነታት ኣብ ውጥረት ኣትዩ ስለ ዝነበረ፡ ናጻ ዄንካ ምዝራብ እናተረፈ ክኸይድ ጀሚሩ። ኣነ ሓደ ሰሚናር ብዛዕባ መሰል ደቂ ሰባት ክምህር እዝከረኒ። እቲ ዛዕባ ንስርሓት መንግስቲ ኤርትራ ከይወቐስኩ፡ ወሰን-ወሰን እናበልኩ ክምህር ዝተገደድኩሉ እዋን ነበረ። \"ንሱ ጥራይ ዘይኰነ ብዛዕባ ምንጽጻር ምልካዊ ስርዓታት ዘኣመሰሉ ዛዕባታት ክምህር ዝነበረኒ ሽግራት ርዱእ’ዩ ኢለ እኣምን” ኢላ ትገልጾ። “በቲ ዝተፈጥረ ሃዋሁ ክተባባዕ ኣይከኣልኩን። ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ መጻኢ ዕድሉ ከም ዝተሰብረ ተረድኣኒ። መጽናዕተይ ብኻልእ መዳያት ንኽቕጽል መገዲ ከናዲ ጀመርኩ፣ ኣይጸናሕኩን ከኣ ኣብ ሃምበርግ-ዩኒቨርሲቲ (ጀርመን) ዘቕረብኩዎ ፕሮጀክት ተቐባልነት ስለ ዝረኸበ፡ ካብ ኤርትራ ክወጽእ ወሰንኩ” ኢላ ካብ ኤርትራ ዝወጸትሉ እዋን ትገልጽ። “ካብ ኤርትራ ምስ ወጻእኩ ግን ብዛዕባ ኤርትራ ካብ ምሕሳብን ምርምረይ ካብ ምቕጻልን ዓዲ ኣይወዓልኩን” ትብል ኒኮል። ንሰብኣዊ ሃብታ ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ በቲ ሕጂ እትርከበሉ ኩነታት እታ ሃገር ከምእትድንጾ ትዛረብ። ብ2003 ካብ 20 ክሳብ 25 ሓምለ 2003 ኣብ ሃምቡርግ ዝተባህለ ከተማ (ኣብ ጀርመን) ሓደ ኣኼባ ተኻየደ። ኣብቲ ኣኼባ ካብ 25 ሃገራት ዝመጽኡ ልዕሊ 400 ስነ-ፍልጠተኛታት ተረኺቦም ነይሮም። ካብ ኤርትራ በዓል ነፍስሄር ዶክተር ኣሌክሳንደር ናቲ፡ ከምኡ’ውን ዶክተር ዓብደልቃደር ሳልሕ ዝተኻፈልዎ ኣኼባ ነበረ። ክልቲኦም መምህራን ከኣ ካብቲ ኣኼባ ናብ ኣስመራ ምስ ተመልሱ ብመንግስቲ ተኣስሩ። ዶ\/ር ኒኮል ሂርት ኣብቲ ኣኼባ ብምስታፍ ንኵነታት ኤርትራ፡ “ካብ ርእሰ-ምርኰሳ ናብ ምልኪ” ዘርእስቱ ጽሑፍ ከተቕርብ ይዝከራ። “ብድሕሪኡ፡ ዋላ’ኳ ሓደ-ክልተ ግዜ ኣብ ኤርትራ ንኽኣቱ እንተ ተፈቕደለይ እቲ ዝነበረ ርክብ እናማህመነ ክኸይድ ረኣኽዎ። ንዝረአኹዎ ጕዳይ ብጽሑፍ ክምስክር ምስ ጀመርኩ ግን ጨሪሰ ካብ ኤርትራ ረሓቕኩ። \"ናብ ኤርትራ ንኽበጽሕ ከም ዘይከኣል ተረድኣኒ። መጽናዕተይ ከኣ፡ ናብ መጽናዕቲ፡ ክንዮ-ሃገርን ስደተኛታትን ሰገረ” ትብል ዶ\/ር ኒኮል ሂርት። ዶክተር ኒኮል ሂርት፡ ኣብ 2013 ምስ ኤርትራዊ ዶክተር ሳልሕ ዓብደልቃድር ሓቢራ ዘቕረበቶ፡  “ኣብ ኤርትራ ሕልሚ ክገሃድ ጸገም’ዩ” ዘርእስቱ ጽሑፍ ኣብ “ጆርናል ዘመናዊ መጽናዕቲ ኣፍሪቃ” (The Journal of Modern African Studies) ምስ ተሓትመ ንብዙሓት ሰባት ኣዛረበ። ትሕዝቶ ናይቲ ሓተታ፡ ኣብ ሓደ ስነ-ማሕበረሰባዊ ክልሰ-ሓሳብ ተመርኲሱ (Theory of Anomie) ንሓደ ስግንጢር ፍጻመ ዝገልጽ’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ሓደ ፍጻመ ካብ ንቡር እምነትን መስርሕን ማሕበረሰብ ወጻኢ ዝፍጸም ተርእዮ ዝገልጽ ክልሰ-ሓሳብ’ዩ። እቲ ዛዕባ፡ ሕብረተሰብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ባህሪ ከምዝለበሰ ዝገልጽ ኰይኑ፡ ገደብ-ኣልቦ ግዱድ ዕዮ መናእሰይ ዘስዕቦ ዘሎ መከራ፡ ዋሕዚ ንስደት፡ ድህከት ስድራቤታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ክልተ ዘይሳነዩ ተርእዮታት ከም ዝተፈጠሩ የርኢ። እቲ ቀዳማይ ተርእዮ ምልኪ መንግስቲ ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ባህሊ ወይ ንቡር ዝጥሕስ መስርሕ ከም ዝተኣታተወ የርኢ። ኣብቲ ሓተታ ሰፊሩ ከም ዘሎ፡ “ብ2009 ሓደ ጋዜጠኛ 'Financial Times' ኣብ ኤርትራ ክበጽሕ ምስ ከደ፡ ንሓንቲ መንእሰይ ጓል ኣስመራ ረኺቡ ከዘራርባ ኸሎ፡ ከምዚ በለቶ፣ ብንእሽተይ እንከለኹ ተስፋ ነይሩኒ፣ ሕልምታት ነይሮምኒ። ሕጂ ግን ትጽቢት ዝብልዎ የብለይን፣ መዓልቲ ይመጽእ መዓልቲ ይኸይድ። ስለዝዀነ ኣብ ኤርትራ ሕልሚ ኣይገሃድን እዩ” ኢላ ኣግሂዳ ስለዝተዛረበቶ፡ ካብኡ ብምብጋስ ንኣርእስቲ ናይቲ ሓተታ “ኣብ ኤርትራ ሕልሚ ኣይገሃድን’ዩ” ኢላ ሰመየቶ። እቲ ሓተታ ነቲ ሓቅነቱ ዝተጋህደ ህድማ መናእሰይ ካብ ኤርትራ ብዕቱብ’ዩ ዝገልጽ። መናእሰይ ካብ ኤርትራ ክሃድሙ’ምበር ረጊኦም ጸኒዖም ንሃገሮም ናይ ምክልኻል ሓሳብ ከም ዘይብሎም የርኢ። ኰይኑ ድማ ኣብቲ ሓተታ ስደት ኣብ ጽባሕ ናጽነት፡ ካብቲ ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ ብዝተዓጻጸፉ ኣሃዛት ብምውሳኹ ንመዋቕር ሕብረተሰብ ኤርትራ ይፈታትኖ ከም ዘሎ ምስ መርትዖኡ የቕርብ። ዶ\/ር ኒኮል ሂርት ዓሚ ዘካየደቶ ሓደ ኣገዳሲ መጽናዕቲ ኣሎ። እዚ ኸኣ ገለ ካብቶም ኣብ ዲሞክራስያውያን ሃገራት (ኣብ ወጻኢ) ዝተወልዱን ዝዓበዩን መናእሰይ፡ ከመይ ኢሎም \"ምስ ሰማእታት ኤርትራ ዝተዋሰበ ጻውዒት ህግደፍ\" ተቐቢሎም ከም ዝድግፍዎ ተርኢ። እቲ መጽናዕቲ ብ‘ክንዮ-ዝኽሪ’ (‘Post-memory’) ዝበሃል ስነ-ሓሳብ ተሰንያ’ያ ትገልጾ። እዚ ማለት መንእሰያት ቅድሚ ምውላዶም ህዝቢ ኤርትራ ዘሕለፎ ማህሰይትን ዝኸፈሎ ዋጋን ብወለዶም ኣቢሎም ዝተረከብዎ ተመኵሮታት ኣሎ። ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ንሰማእትነት ከም ውርሻ ብሕቱ ገይሩ ስለ ዝጥቀመሉ ነቶም ዝሰዓቡ ወለዶታት፡ ስምዑለይ ረኣዩለይ እናበለ ነቲ ውርሻ ንረብሓኡ ይጥቀመሉ’ዩ ትብል ዶ\/ር ኒኮል። \"እቶም ሰማእታት በዚ ኤርትራ በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ክሕተቱ እንተ ዝከኣል ነይሩ ግን መልሱ እንታይ ኮን ምዀነ?” ትብል። “እቲ ንመናእሰይ ዝንገሮም ዛንታታትን ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቅታትን ኣይጋጠሙን’ዮም፣ መንግስቲ ግን ነቲ ዛንታ ብዝጥዕሞን ብዘርብሖን ኣገባብ ስለ ዝዝርግሖ ኣብ ግዳም ዝተወልዱን ዝዓበዩን መናእሰይ ጌጋ መርገጺ ንኽወስዱ የኽእሎም ኣሎ” እናበለት ኣበርቲዓ ትምጕት። ዶክተር ኒኮል ሂርት ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ስደተኛታት ትዛረብ። “ኤርትራውያን ሃገሮም ናጻ ምስ ወጸት ኣብ ጀርመን ንኽተርፉ፡ ንዓዶም ንኸይምለሱ፡ ዘርኣይዎ ጸደፍደፍ ንዓይ ዓቢ ዛዕባ’ዩ፣ እዚ ኸኣ በቲ ዝወሰድዎ ስጕምቲ፡ ህይወት ኣብ ኤርትራ ከቢድ ምዃኑን ኣካይዳ መንግስቲ ኸኣ ከም ዘየተኣማመኖም’ዩ ዘመልክት። \"ኣብዚ ዀይኖም ግን ንውሳነኦም ንምሽፋን ወይ ከኣ ንኸምስሉ ኢሎም ምስ መንግስቲ ከሻርዉ ይርኣዩ፡” ትብል። “እዚ ነቲ ብሓደ ጂ.ቲ.ዘድ. (GTZ) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ፕሮጀክት ዳግመ-ህንጻ ሃገር ንኤርትራውያን ኣስኒቑ (ናይ ባዕሎም ቤት-ዕዮ ንኽምስርቱ) ናብ ኤርትራ ዝልእኽ መደብ፡ ብቢሮክራሲ መንግስቲ ኤርትራ በርዒኑ ክተርፍ እዝከረኒ፡” ትብል። “ኰይኑ ድማ እንሆ ኣብ ሰብዓታትን ሰማንያታትን ዝተሰደዱ ኤርትራውን ገና ኣብ ጀርመን ይርከቡ። ናጽነት ንስደት ከናውሖ  ኣይምተገብአን፣ ንሽግሮም ክፈትሖ ኣይከኣለን ማለት’ዩ። ብዙሓት ብዕድመ ደፊኦም ሓደ-ብሓደ ይሞቱን ኣብ መሬት ጀርመን ክቕበሩን እርኢ ኣለኹ። \"ዋላ እቶም ህ.ግ.ደ.ፍ. - ኣባላት ሰልፊ መንግስቲ - ኢና ዝብሉ። ብሓቂ ሕንቅልሕንቅሊተይ’ዩ። እቲ ዘሕዝን ከኣ ካብ ናጻ ኤርትራ ሃዲሞም ኣብ ጀርመን ዝዕቘቡ ዘለዉ መንእሰያት፡ እንሆ ቍጽሮም እናዛየደ ክኸይድ እርእዮ ኣለኹ። ጥዕና ዘለዎ ናጽነት ንዜጋታቱ ይሓቝፍ’ምበር ኣየሳጕግን’ዩ። ኵነታት እንተዘይተቐይሩ ከኣ ዋሕዚ ስደተኛታት ክቕጽል’ዩ፡” ብማለት ብዛዕባ ኤርትራ ዝምልከት መጽናዕትታን ምርምራትን ከምእትቕጽሎ ትገልጽ።","category":"CATEGORY_TWO","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1l25pzkw9o"} {"headline":"ኣብ ዩኒቨርስቲ ሃዋሳ ብዘጋጠመ ሓደጋ ሃገራዊ ፈተና ከይተወሃበ ተሪፉ","content":"ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ትማሊ ሰኑይ 10 መስከረም 2022 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምፍራስ መሰጋገሪ ድልድል ሃገራዊ ፈተና ከምዘይተወሃበ፡ ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ርክባት ወፃኢን ኮሚኒኬሽንን እቲ ዩኒቨርስቲ ዶ\/ር እመቤት በቀለ ንቢቢሲ ተዛሪባ። ንሳ ከምዝበለቶ፡ ካብ ዋና ቀፅሪ ዩኒቨርስቲ ሃዋሳ ናብ ቀፅሪ ቴክኖሎጂ [ቴክኖሎጂ ካምፓስ ብዝብል ዝፍለጥ] ዝወስድ መራኸቢ ድልድል ፈሪሱ ሓደ ተማሃራይ ክመውት እንከሎ ሰለስተ ተምሃሮ ድማ ብኸቢድ ቆሲሎም። \"ተማሃሮን ማሕበረሰብ እቲ ከባቢን ሰንቢዶም ዕግርግር ተፈጢሩ ስለዝነበረ ብፍላይ ኣብቲ ዋና ቀፅሪ ፈተና ክነቐፅል ኣይከኣልናን። እቶም ኣብ ዋና ቀፅሪ ዝፍተኑ ተማሃሮ ብስንባደ ናብ ደገ ስለዝወጹ ሎሚ ፈተና ኣይተኻየደን። ኣብ ቀፅሪ ቴክኖሎጂ ግን እቲ ፈተና ድሕሪ ቀትሪ ተዋሂቡ'ሎ\" ኢላ። እቶም ብስንባደ ካብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ወጺኦም ዝነበሩ ተምሃሮ ይምለሱ ምህላዎም ብምሕባር “ኣብዚ እዋን ነገራት ሃዲኦም አለዉ። ንናይ ፅባሕ ፈተና ምእንቲ ክዳለዉ እውን ሓበሬታ ንህብ ኣለና” ክትብል ኣረዲኣ። ከቢድ ጉድኣት ዝበፅሖም ሰለስተ ተምሃሮ ኣብ ሆስፒታል ከምዝርከቡን፡ 90 ሚኢታዊ ካብቶም መጉዳእቲ ዝበፅሖም ተምሃሮ ቀሊል ከምዝኾነን ዶክተር እመቤት ወሲኻ ሓቢራ። እቶም ዝተጎድኡ ተምሃሮ ከከም መጠን መጉዳእቶም ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል እቲ ዩኒቨርስቲን ካልኦት ሆስፒታላትን ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ። “እቶም ኣዝዩ ቀሊል መጉዳእቲ ዘጋጠሞም ቀዳማይ ረድኤት ተዋሂብዎም ናብቲ ቀጽሪ ተመሊሶም ኣለዉ። እቲ ፈተና ካብተን 7 ቀፅርታት ኣብ ሓሙሽተ ብሰላም ክካየድ ውዒሉ ኣሎ” ኢላ ዶክተር እመቤት። ኣስታት 400 ተምሃሮ፡ በቲ ንዓሰርተ ዓመታት ኣብ ጥቕሚ ዝጸንሐ ድልድል ኣቢሎም ካብ ዋና ቀጽሪ ናብ ቀፅሪ ቴክኖሎጂ ይሰግሩ ኣብ ዝነበሩሉ ሰዓት’ዩ ፈሪሱ። “ዝሰግሩ ዝነበሩ ልዕሊ 400 ተምሃሮ እዮም ነይሮም። እቲ ሓደጋ ዘጋጠመ እቶም ተምሃሮ ካብቲ ድልድል ክጻወሮ ዝኽእል ንላዕሊ ስለዝነበሩ እዩ” ክትብል ኣረዲኣ። እቲ ድልድል ምስ ፈረሰ ድማ ብሓፂን ተወቒዖም ኣካላቶም ዝተሰበሩ ከምዘለዉ ብምዝኽኻር እቲ ዝኸፍአ ሓደጋ ድማ ኣብ ርእሲ ዘጋጠመ መውቃዕቲ ከምዝኾነ ገሊፃ። ብምኽንያት ዕግርግር ኣብ ዋና ቀፅሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ፈተና ዘይወሰዱ ተምሃሮ ካብ ፅባሕ ጀሚሮም ፈተና ምውሳድ ክቕፅሉ ምዃኖም ይእመን። ብዛዕባ’ቲ ዝሓለፎም ፈተና ግን ዩኒቨርስቲ ሃዋሳ ምስ ሚኒስትሪ ትምህርትን ሃገራዊ ምድላው ፈተናን ይዘራረብ ከምዘሎ ሓቢራ። “ፈተና ክወስዱ ንዘይክእሉ ተምሃሮ ኣቐዲሙ ዝተቐመጠ መስርሕ ነይሩ እዩ። እቶም ተምሃሮ ኣብ ሃዋሳናን ከባቢኣን ስለዘለዉ ካብ ስንባደኦም ተመሊሶም ዝተረፈ ፈተና ክወስዱ እዮም ኢልና ንሓስብ” ኢላ። ካብ ትማሊ 30 መስከረም 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ጀሚሩ ኣብ 131 ማእኸላት ዝወሃብ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ፡ 984 ሽሕ ተምሃሮ ከምዝወስድዎ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምዘናን ፈተናን ትምህርቲ ንቢቢሲ ሓቢሩ’ሎ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘጋጠም ዝነበረ ስርቂ ፈተና ንምክልኻል ብዝብል፡ ቅድሚ ሎሚ ብዘይተለመደ ኩነታት፡ ተምሃሮ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝርከባ ዩኒቨርሲቲታት ናይ 12 ክፍሊ መዛዘሚ ፈተና ክወስዱ ይግበር ምህላዉ ይፍለጥ። እቶም ተምሃሮ ፈተና ክሳብ ዝውድኡ ኣብተን ዩኒቨርስቲታት ኣብ ዝፀንሕሉ እዋን መጓዓዝያኦምን መግቦምን ብመንግስቲ ከምዝሽፈን ይግለፅ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cp4z2rwxw97o"} {"headline":"ሓይልታት ሩስያ ኣብ ዝሓዙዋ ከተማ ዩክሬን ኬርሶን፡ ዝተሸበሩ ኣፍሪቃውያን ተምሃሮ","content":"ወደባዊት ከተማ ዩክሬን ኬርሶን ሓይልታት ሩስያ ካብ ዝሕዙዋ ልዕሊ ክልተ ሰሙን ኮይኑዋ ኣሎ። ኣብ'ዛ ከተማ ዝርከቡ ኣስታት 100 ኣፍሪቃውያን ተመሃሮ ድማ ካብታ ከተማ ንምውጻእ ሓገዝ ንክግበረሎም ይምሕጸኑ ኣለው። ንመዓልታት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ዝተሃነጹ መጽንሒ ቦታታት ተሓቢኦም ዝጸንሑ ኮይኖም፡ እዚኦም እንትርፎ ዛሕሊ መውዓዪ ወይ ሙቐት ዘይብሎምን መድሃኒት ብቐረባ ንምርካብ ኣጸጋሚ ዝኾኑን እዮም። ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ተመሃሮ ይንገላትዑ ምህላዎም'ዮም ዝገልጹ። ሓደ ንቢቢሲ ቃሉ ዝሃበ ተመሃራይ ክሳብ ሕጂ ኣዝዩ \"ዘሰንብድ\" ድምጺ ተኹሲ ከም ዝስምዖም ተዛሪቡ። ድምጺ ቦንባን ወተሃደራዊ ነፈርትን እውን ይርብሾም ኣሎ። እቶም ተመሃሮ ዝሰምዑዎ ድምጺ ሓይልታት ሩስያ ንከባቢታት ደቡብ ምዕራብ ዩክሬን ንምቁጽጻር ዝገብሩዎ ውግእ ክኸውን ይኽእል እዩ። ምስፋሕ ሩስያ ዝቃወሙ ሰባት ድማ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ሩስያ ይትኩሱ ኣለው። መንግስቲ ናይጄሪያ ግዜ ከይወሰደ ካብታ ሃገር ንከውጽኦም ናይጄሪያውያን ተመሃሮ ይሓቱ ኣለው። ንድሕነቱ ብዝብል ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሓደ ተመሃሪ \"በጃኹም ካብዚ ኣውጽኡና ኢልና ንልምን ኣለና። ዘለናሉ ኩነታት ኣዝዩ ኣጸጋሚ'ዩ\" ክብል ብስልኪ ተዛሪቡ። መንግስቲ ናይጄሪያ ተመሃርኡ ንምውጻእ ጻዕሪ ይገብር ምህላው ይገልጽ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እቶም ተመሃሮ ብሸነኽ ሩስያ ንክወጽኡ ነፈርቲ ይዳለዋ ከም ዘለዋ ኣምባሳደር እታ ሃገር ኣብ ሩስያ ተዛሪቡ ነይሩ። ይኹን'ምበር ክሳብ ሕጂ እቶም ተመሃሮ ኣይወጽኡን። ብተወሳኺ ናብ ሩስያ ምኻድ የስግኦም እዩ። ዘገታታት ካሜሩን፣ ጋና፣ ግብጺ፣ ቱኒዝያን ሞሮኮን ዝኾኑ ተመሃሮ'ውን ኣብታ ከተማ ይነብሩ'ዮም። ኣብቲ ዝመሃርሉ ዩኒቨርሲቲ ውሑድ መግቢ እኳ እንተሃለወ ዝነበረ ትሕዝቶ ይውዳእ ከም ዘሎ ግን ይዛረቡ። ኣብ ዕዳጋ ዝቐርብ መግቢ ድማ ብሰለስተ ዕጽፊ ከም ዝወሰኸ ይገልጹ። ሓንቲ ተመሃሪት \"እቲ ዩኒቨርሲቲ ክሳብ ሕጂ መግቢ የቕርበልና ስለ ዘሎ ብንጽጽር ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ኢና ዘለና\" ኢላ። ካልእ ተመሃሪ ድማ ነታ ከተማ ዝተቖጻጸሩ ሰራዊት ሩስያ ኣሕምልቲ፣ ሩዝ፣ ፓስታን ማይን ኣብ ህንጻታት መንግስትን ባቡርን የቕርቡሎም ከም ዘለው ተዛሪቡ። ይኹን'ምበር፡ ዩክሬናውያን መግቢ ክትቕበል እንተርእዮምኻ ምስ ሩስያ ትተሓባበር ምህላውኻ ስለ ዝቖጽሩዎ የስግእ እዩ። \"ዩክሬናውያን ሃገሮም ንምድሓን እናሞቱ ንሕና ከመይ ኢልና ናይ ሩስያ ሓገዝ ንቕበል? እዚ መግቢ ተቐበሉ ዝብሉና ሰባት እንሞተሉ መዓልቲ'ዮም ዘስልጡዎ ዘለው\" ኢሉ እቲ ተመሃሪ። ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት መግብን ማይን የብጽሑ እኳ እንተሃለው፡ እዚ ክሳብ መዓዝ ከም ዝጸንሕ ኣይፍለጥን፤ ከቢድ ሕጽረት ማይ እውን ኣሎ። እታ ወደባዊት ከተማ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ሓይልታት ሩስያ ካብ ሞንጎ ዝወደቓ ናይ መጀመርታ ከተማታት ሓንቲ እያ። ሓይልታት ሩስያ ነታ ከተማ ካብ ዝቆጻጸሩዋ ኣትሒዙ ግን ነበርቲ ተቓውሞ የካይዱ ኣለው። \"ናብዚ ሃገር ንትምህርቲ ኢና መጺእና። ሕጂ ግን ኣብ ኲናት ወዲቕና ኣለና። ዩክሬናውያን ኢዶም ከም ዘይህቡ ነጊሮምና እዮም። እታ ከተማን መላእ ሃገሮምን ከውሕሱ'ዮም ዝደልዩ\" ክብል ሓደ ተመሃሪ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ወተሃደራት ሩስያ መግቢ ናብታ ከተማ ንከይኣቱ ከም ዝኸልከሉ'ውን ገሊጹ። ዕላማ ሩስያ፡ ሓይልታት ዩክሬን ናብታ ከተማ መግቢ ንምእታው ብዝብል ናብ ውግእ ከይኣትው ምግባር እዩ። ሓንቲ ተመሃሪት \"መዓልታዊ ቤተሰበይ ይድውሉ'ዮም፤ ግን ዋላ ሓደ ጽቡቕ ዜና ስለ ዘይብለይ ቴሌፎን ኣልዒለ ከዛርቦም የስግኣኒ'ዩ። ኣብ ቀረባ እንወጽእ እውን ኣይመስለንን\" ኢላ። እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ኣዲኣ መዓልታዊ እናበኸየት ከም እትጽል'ውን ገሊጻ። እቶም ተመሃሮ ብጉጅለ ኮይኖም ጥራይ ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ክወጽኡ ከም ዝኽእሉ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣፍሊጡ'ዩ። ካብቲ ቀጽሪ ክወጽኡ እንከለው ድማ፡ እቶም ተመሃሮ ሰላመውያን ሰባት ምዃኖም ንሓይልታት ሩስያ ንምርኣይ ኣብ መንኮቦም ጻዕዳ ጨርቂ ክኣስሩ ከም ዘለዎም ተነጊሩዎም ኣሎ። ሓይልታት ሩስያ፡ ካብ 'መስመር' ዝወጽአ ሰብ እንተርእዮም ንክትኩሱ መምርሒ ከም ዝተዋህቦም ሓደ ተመሃሪ ገሊጹ። ኣብ ዩክሬን ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣፍሪቃውያንን ኤዥያውያንን ተመሃሮ ይነብሩ ነይሮም። መብዛሕትኦም ካብታ ሃገር ክወጽኡ እንከለው፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ትምህርቶም ቐጺሎም ኣለው። ኣብ ወደባዊት ከተማ ዩክሬን ኬርሶን ዝርከቡ ተመሃሮ ግን ኣብ መጻብብ እዮም ዘለው። ገሊኦም ጨኪኖም ብታክሲ ክወጽኡ ፈቲኖም። \"ካብታ ከተማ ንምውጻእ ዝፍትኑ ተመሃሮ ህይወቶም ንሓደጋ እዮም ዘቃልዑ። ወተሃደራት ሩስያ እቶም ተመሃሮ ንክምለሱ ብትሕትና ይዛረቡ'ዮም። ገሊኦም ግን ብጭካነ ይትኩሱ\" ክትብል ሓንቲ ተመሃሪት ንቢቢሲ ገሊጻ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60844570"} {"headline":"ድሕሪ 30 ዓመታት 'ክልተ ጸጕሪ' ኣብቊሎም ዝተራኸቡ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ","content":"ሽዑ መንእሰያት እዮም ነይሮም። 30 ነሓሰ 1984 ዓ.ም [ግእዝ] ተመሪቘም። ድሕሪ 30 ዓመት፡ ማለት ብ30 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ኣብኡ ኣብቲ ዝተማህሩሉ ዩኒቨርሲቲ ምስ ተራኸቡ ሰንቢዶም። ዝኽሪ ኣለማያ ውነኦም ወሲድዎ፣ ሓይሊ ግዜ መሲጥዎም። ገሊኦም ተረሳሲዖም እዮም። ገለ፡ ኣስማት ናይቶም ደቂ ደርሞም [መደቀሲ ተመሃሮ] ዝነበሩ'ውን ረሲዖምዎ። ገሊኦም ሰዪቦም፡ ገሊኦም በሪሖም፡ ገሊኦም ድማ ከሲዖም እዮም። ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ መብዛሕትኦም ዶካትር ኰይኖም፤ ገለ ካብኣቶም ፕረዚደንታት ዩኒቨርሲቲ እዮም። ገሊኦም ድማ ኣብ ወጻኢ ሃገራት፡ ፕሮፌሰራት እዮም። ገሊኦም ምስዳድ ዕምበባ [ንወጻኢ] ዝተዋፈሩ ነጋዶ ኰይኖም፣ ካልኦት ድማ ተመራመርቲ እዮም። ገለ ካብኣቶም፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለዓለ መዝነት በጺሖም። ኣምባሳደር ዝዀነ እውን ኣሎ። ንኣብነት ሚኒስተር ሕርሻ ነበር፡ ሕጂ ኣምባሳደር ኣብ ጃፓን ተፈራ ደርበው፡ ምሩቕ ናይዚ 'ብላቴ ባች' እናተበሃለ ዝጽዋዕ ወለዶ እዩ። ርግጽ ሕጂ ኣብቲ ቦታ፡ ምስኣቶም ኣይተረኽበን፣ ካብ ጃፓን ግን መልእኽቲ ሰዲዱ። እዚ ቈጸራ ን 30 ዓመት ብዋዛ እዩ ተጀሚሩ። ዶክተር ኣዱኛ፡ ዝተባህለ ኣቦ፡ ንወዱ ከመርዑ ምዃኑ ኣፍለጥ። ንሱ'ውን፡ ሓደ ካብዞም 'ብላቴ ባች' እዩ። ገለ ካብቶም ዕዱማት ናይ ቀደም ናይ ኮሌጅ ኣዕሩኽ እዮም። ‘ንምንታይ ግን ዘይንራኸብ?’ ተበሃሃሉ። መዓስ? ዝብል ሕቶ ቀረበ። 'ነሓሰ 30'። 'ኣበይ? 'ኣብኡ ኣብ ሃረማያ።' ብኸምዚ እቲ ቈጸራ ተታሕዘ። እቲ ኮሌጅ፡ ኣብ መጀመርታ 1950ታት ብሓልዮት ሃጸይ ሃይለስላሰ ክኽፈት እንከሎ፡ ንኣፍሪቃ’ውን ከይተረፈ ክኸውን እዩ ዝተባህለሉ እዩ ነይሩ። ሽዑ፡ ጠቕላላ ቍጽሪ ተመሃሮ 11 ጥራይ እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን፡ መምህርን ምምሕዳርን ካብ ዩኒቨርሲቲ ኦክላሆማ ኣሜሪካ እዮም መጺኦም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ‘የኔታ’ እምበር ፕሮፌሰር ዝበሃል ኣይነበረን። ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ ኣብዚ ትውልዲ ዓዶም ንዝኸፈትዎ ‘ኮሌጅ ኣለማያ’ ኣዝዮም ይህንጠዩሉ ከም ዝነበሩ ይንገር። ኣብቲ ግዜ እቲ ጸባ ንተመሃሮ፡ ብቡምባ ማይ ይቐርብ ከምዝነበረ ይውረ። እዚ ጽውጽዋይ እዚ፡ ‘ጃንሆይ ኣይሓድጉን’ እናተበሃለ ክሳብ ሎሚ'ውን ይስማዕ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ተመሃራይ ኮሌጅ ምዃን ንባዕሉ ሳሕቲ ዝረአ እዩ። ናብ ኮለጅ ምእታው ተኣምር እዩ። ዶክተር ተፈራ ዝርከቦም እዞም ተመሃሮ፡ ናብ ዩኒቨርስቲ እንከለው በዝሖም፡ 500 እዩ ነይሩ። ሕጂ፡ ዩኒቨርስቲ ሃረማያ ክሳብ 30 ሽሕ ዝኣኽሉ ተመሃሮ የአንግድ። ኣብቲ እዋን፡ ሓሙሽተ ዓውደ ትምህርቲ ጥራይ ዝነበረ፡ ሎሚ 230 በጺሑ። በዓል ኣምባሳደር ተፈራ ዝርከብዎም፡ 500 ዝተመዝገቡ ተመሃሮ፣ ኣብ መወዳእታ ግን 230 እዮም ተመሪቘም። ኣብቲ ግዜ'ቲ፡ ዩኒቨርሲትን መንግስተ ሰማይን ሓደ እዮም ነይሮም። ብኣፍደገ ኮሌጅ ምሕላፍ ንባዕሉ፡ 'ገመል ብዓይኒ መርፍእ' ዝበሃለሉ እዋን እዩ ነይሩ። ኣብቲ ዘመን ካብ ዝነበሩ 500፡  እቶም 250 ጥራይ እዮም ተመሪቘም። ሕማቕ ዕድል ኰይኑ ድማ፡ ልክዕ ክምረቑ ኣብ ዝቀራረቡሉ ዝነበሩ ግዜ፡ ኮ\/ል መንግስቱ ሃይለማርያም ኣሰናኺልዎም። “...ንዒቘምና፡ ደፊሮምና እዮም። እመኑ ኣይትእመኑ ብደውና ሞይትና ኢና። ...ክትወፍሩ ዲኹም ወይስ...\" ኢሉ ናብ [ወተሃደራዊ መሰልጠኒ] ብላቴ ኣእትይዎም። ፕረዚደንት ነበር መንግስቱ ግን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ከምዚ ኢሉ ምስ ተዛረበ፡  ብኬንያ ኣቢሉ ናብ ዚምባብወ ሃደመ። እቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ተቛሪጹ፤ ደሓር ግን ብገለ መገዲ ኣብ ነሓሰ 1984 ተመሪቘም። [ኢህወደግ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተቘጻጸረ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ማለት እዩ]። ስለዚ ድማ እዮም፡ እዞም ተመሃሮ ነቲ ወለደኦም 'ብላቴ ባች' ኢሎም ዝጽውዕዎ። ብርግጽ 'ጆርጅ ኦርወል ባች' ኢና ኢሎም ምስ ነብሶም ዝዋዘዩ’ውን ኣለዉ። ዶ\/ር ኣስናቀ ፍቅሬ፡ ሕጂ ኣብ ‘ሳይንስ ኣትክልቲ’ ላዕለዋይ ተመራማሪ እዩ። ግዜ ምሕላፉ ኣይቀየሮን። ዋዛኡ ሎሚ እውን ኣብ ቦታኡ ኣሎ። 'ሽዑ እዋን ኮሌጅ፡ ብዘይ ፕረምየር ሊግ ከመይ ጌርካ ይከኣል ነይሩ?”ሓቲትናዮ። ‘እቲ እንኮ መዘናግዒና ቀዳም ምሸት ሰዓት 4፡00፡ ‘ህብረ-ትርኢት’ [ዝበሃል መደብ ቲቪ’ ነይሩ” ይብል። ካልእከ እንታይ ነይሩ? “ዓርቢ ዓርቢ ካልእ ናይ ህንዲ ፊልም ንርኢ ነይርና። ድሕሪ ድራር ሰዓት 11፡30 ይጅምር። “ማዘር ኢንዲያ እትበሃል ፊልም ደጋጊምና ርኢናያ ኢና።\" ‘ሓቂ ድዩ ጸባ ብቦምባ ማይ ይቐርበልኩም ነይሩ?’ \"እቲ ነገር ሽዑ እውን ይዝረበሉ ነይሩ። ምናልባት እቶም ቅድመና ዝነበሩ ቀሪብሎም ይኸውን።” 'ንዓኻ’ኸ?' “ብቡምባ እኳ እንተዘይኰነ፡ ዝፈልሐ ጸባ ብኩባያ ይወሃበና ነይሩ። ኣብ ሰሙን ሰለስተ መዓልቲ።” እዞም ነባር ተመሃሮ ድሕሪ 30 ዓመታት ተራኺቦም። ቀደም ንኣሽቱ እዮም ነይሮም። ሕጂ ግን ዓበይቲ እዮም። ቀደም ሓፋራት እዮም ነይሮም። ንሳቶም ጥራይ ኣይኰኑን ግን ተመሊጦም - በሪሖም። እቲ ዝፈትውዎ ቀላይ'ውን ተመሊጡ እዩ ጸኒሕዎም። ሎሚ፡ እቲ ጐራዙ ዓዲሞም ዝዘናግዑሉን ዝናፈሱሉን ዝነበረ ቀላይ፡ ዳርጋ የለን። “ርግጽ ሕጂ ዝሓሸ ኰይኑ ኣሎ። ካብቲ 18 ሚልዮን ኪዩቢክ ሜትሮ ማይ፡ 40 ሚእታዊ ተረኺቡ'ሎ\" ይብል ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ተስፋይ። ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ተስፋይ ከ መን እዩ? ንሱ ሓደ ካብ 'ብላቴ ባች' እዩ። ምስ ተመረቐ ግን ኣብኡ'ዩ ተሪፉ። ንውሓት 30 ዓመት ግዜ፡  ምዕቃን ዝከኣል ኣይኰነን። እቲ ዝተማህሩሉ ‘ኣለማያ’ ንባዕሉ፡ ሓረማያ ዝብል ካልእ ስያመ ተዋሂብዎ እዩ። ኣብ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ካብ ጀማሪ ምሩቕ፡ ናብ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ደይቡ። ኣብቲ ዝተማህረሉ ኮሌጅ ሎሚ ምክትል ፕረዚደንት ጉዳያት ምርምር ኰይኑ ኣሎ። ወሊዱ ዘሚዱ እዩ። ጓሉ፡ ድሮ መምህር ዩኒቨርሲቲ ኰይና፤ ሕጂ ድማ ንላዕለዋይ ትምህርቲ ናብ ሆላንድ ከይዳ ኣላ። እቲ ቀላይ ምጽእ ክይድ እዩ ዝብል። ሰብ ግን እንተኸይዱ ንሓዋሩ እዩ። ቀላይ ኣለማያ ነቒጹ ዳርጋ ግራት ኰይኑ ነይሩ። እቲ ዘገርም ግን እዚ ከም ዝኸውን ቅድሚ ነዊሕ እዋን ተገሚቱ ምንባሩ እዩ። '...እቲ ቀላይ ኣብ ውሽጢ 15 ዓመት ክጠፍእ ምዃኑ ተገሚቱ ከምዝነበረ ይዝከረኒ' ይብል፡ ካልእ ኣባል እቲ ባች ዶክተር ኣስናቀ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ተመሃሮ ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ሕርሻዊ ሳይንስ ውዑያት እዮም ነይሮም። ስለዚ ነዚ ምግማቶም ዘገርም ኣይኰነን። እዚ ቀላይ ንብዙሓት ተመሃሮ ፍሉይ ተዘክሮታት ኣለዎ። ኣሽንኳይዶ ተመሃሮ፡ መስራቲ ኣቦ ናይቲ ኮሌጅ ጃንሆይ'ውን ዘይርሳዕ ተዘክሮታት ኣለዎም። ሓደ እዋን ኣብዚ ቀላይ እናሓንበሱ ካብ ምጥሓል ንስክላ ድሒኖም። ድሕሪ’ቲ ዘሕዝን ፍጻመ እቶም ንጉስ ረጊሞምዎዶ ይዀኑ? እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ዩኒቨርስቲ ሃረማያ ነቲ ቀላይ ናብ ንቡር ንምምላስ ዝድነቕ ስራሕ ሰሪሑ እዩ። እቲ ቀላይ እውን ቀስ ብቐስ ዝሓዊ ዘሎ ይመስል። ሓቂ እዩ፡ ቀላይ ይምለስ፣ ጸጕሪ እውን ይትከል እዩ። ሰብ ግን እንተኸይዱ ኣይምለስን እዩ። ንኣብነት ካብቶም 250 ኰይኖም ዝተመረቑ፤ ድሕሪ 30 ዓመት ኣስታት ሚእቲ ጥራይ ተራኺቦም። 17 ሰባት ብሞት ተፈልዮምዎም ኣለው። “ምስ ተራኸብና ንፈጣሪ ብሂወት ስለ ዝተራኸብና ኣመስጊንና፤ ነቶም ዝሞቱ ድማ ናይ 1 ደቒቕ ናይ ሕልና ጸሎት ጌርናሎም” ይብል ዶ\/ር ኣስናቀ። ንኽልተ መዓልታት፡ ብዙሕ ተዘክሮታት እናዕለሉ ኣብቲ ቀጽሪ ተዘዋዊሮም እዮም። ኣብ ‘ጎደና ፍቕሪ’ [love street] ብዙሕ ተዘክሮታት ኣለዎም። ቅድሚ 30 ዓመት ዝደቀሱሉ መሕደሪኦም[ዶርም] እትዮም ርእዮሞ። ደጊም ከይፈላለዩ ቃል ኣትዮም። ቅድሚ ምፍልላዮም ግን እንግዶት ድራር ገይሮም። ኣብ መንጐኡ፡ ሓደ ዝተቐደሰ ሓሳብ ብልጭ ኢሉዎም። ነተን 'ዘር ፎር' ዝጸብሓሎም ዝነበረ ኣደ ክእልሹ ወጹ። ‘ማዘር’ እናበሉ እዮም ዝጽውዑወን። ኣሪገን፡ ጡረታ ወጺአን ኣብቲ ከባቢ ረኺቦመን። እማማ ቀለሟ ይበሃላ። ንዐአን፡ ናይ ክብሪ ጋይሻ ገይሮምወን። ነተን ቀደም ዘተኣናግዳኦም ዝነበራ ‘ማዘር’ ሕጂ ድማ ብጊደኦም፡ በብተራ ጸቢሑ ጨሊፎም ኣተኣናጊዶምወን። ማዘር፡ ብታሕጓስ ስምዒተን ከምዝተተንከፈ ተዛሪበን።  ‘እዚ ንዓይ ከም ዳግማይ ልደት እዩ’ ኢለን። ዶክተር ኣስናቀ፡ ነተን ኣደ ክዝክር ከሎ ጽቡቕ እዩ ዝሰመዖ። ‘ቅንዕ ኢለን ኣይርእያናን ነይረን። ኣቓልቦአን ኣብ ድስቲን ጭልፋን እዩ ነይሩ። ሚዛን ናይቲ ድስቲ ይዕቅናኦ። ልዕል ኢለን ዘይሪኣና፡ ከየዳልዋ ምእንቲ እዩ።” ካልእ ዶክተር'ውን ምስክርነት ሂቡ፣ “ብፍላይ 'ዘር ፎር' ክጸብሓልና ከለዋ ፍትሓዊት ነይረን” ይብል። ‘ዘር-ፎር’ ካብ ሜታፊዚካዊ ኣቀማምጣ ሰለስተ ነጥብታት ዝመጸ ዀይኑ፡ ቁንጣር ስጋ ድርብይ ንዝበሎ ጸብሒ ንምግላጽ እዩ። 'ቲከር' ዝበሃል ትራፊክ ድማ ነይሩ። 'ቲከር' ማለት ኣብቲ ኣዳራሽ መግቢ መዝገብ ሒዙ ደው ዝብል ተቘጻጻሪ እዩ። መመገቢ ካርድ ተመሃሮ ምልክት ይገብር። ሓደ ተመሃራይ ኣትዩ ምስ በልዐ፡ ነታ ካርድ 'ቲክ' [ምልክት] ይገብረላ። ብሓጺሩ፡ ትራፊክ ምግቢ ክትብሎ ይከኣል። ሓደ ተመሃራይ ኣደናጊሩ መግቢ ክደግም ምስ ዝመጽእ ብጐሮሮኡ ሓኒቑ የውጽኦ። ዶክተር ኣስናቀ፡ ድሕሪ 30 ዓመታት’ውን ኣብቲ እዋን’ቲ ኣደናጊሮም፡ ተመሊሶም ካፈ ይኣትዉ ምንባሮም ይዝክር። ዶክተር ኣስናቀ ብነዊሕ ሰሓቕ ተሰንዩ፡ \"ነታ ምልክት ዝተገበረት፡ ብመላጸ እናሓኸኽኩ ደጋጊመ ንኽበልዕ ዕዉት ፈተነታት ገይረ ኣለኹ፡\" ይብል። እዚ 'ቲከር' ዝነበረ፡ ኣማረ ጌታቸው ይበሃል። ንዕኡ’ውን ደልዮም ረኺቦምዎ። 'ቲከር ኣማረ'፡ ሎሚ  'ኣቶ ኣማረ' ኰይኖም ኣለዉ። ንሶም'ውን ምስ ‘ማዘር’ ናይ ክብሪ ጋሻ ኰይኖም። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ ድራር እናበልዑ፡ ኣቶ ኣማረ፡ ነታ ጽብቕቲ ዝኽሪ ንምዝካር መሊሶም ምልክት እናገበሩ ኣእተውዎም። ድሕሪ 30 ዓመት ድማ ካልእ ሰሓቕ ተፈጥረ። ድሕሪ 30 ዓመት እውን እንተዀነ ናብ ኣቶ ኣማረ፡ ደጊሞም ዝኸዱ ዶክተራት\/ፕሮፌሰራት የለዉን ምባል ኣጸጋሚ እዩ። ጽቡቕ መዘከርታ 'ሽልማት' ተዋሂብዎም። ኣዝዮም ተሓጒሶም። “ደቀይ ድሕሪ 30 ዓመት ስለ ዝዘከርኩምኒ የቐንየለይ” ኢሎም። ኣለማያ ናይ ሕጂ ሃረማያ፡ ነባር ዝበሃል ዩኒቨርስቲ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ‘ኮሌጅ ሃይለስላሰ’ ጥራሕ እዩ ዝቕድሞ። ኣቶ ፍሬዘር፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ነባራት ተመሃሮ እዩ። እቲ ዩኒቨርስቲ ዛጊት፡ ብድምር 117 ሽሕ ተመሃሮ ከምዘመረቐ ይዛረብ። ‘ቻይና ባች’ ‘ወይራ ባች’ ዝበሃሉ ካልኦት ነባራት ባቻት፡ ከምዚ ምትእኽኻብ ምግባሮም ይዝክር። ምናልባትን 'ብላቴ ባች’ ፍሉይ ዝገብሮ፡ ብዲፓርትመንት ዘይኮነስ ብምሉእ ባች ዝተወደበ ምዃኑ እዩ። ንዶክተር ኣስናቀን ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ተስፋይን \"30 ዓመት ኣዝዩ ነዊሕ ድዩ?\" ኢልና ሓቲትናዮም። ብኸመይ ከ ተፈላሊኹም? ኢልናዮም። ነቲ ዝሓለፈ ዘመን ብምግምጋም ከም ዝተፈላለዩ ተዛሪቦም። ኣብቲ ዝተመረቝሉ ግዜ፡ ኣብታ ሃገር ሓያል ኲናት ይካየድ ነይሩ። ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ተስፋይ፡ ሽዑ መንእሰይ ኰይኑ፡ ኣብ ቤተ መጻሕፍቲ እንከሎ ተዅሲ ተኸፊቱ፡ ቬትሮ ሑጻ ክኸውን ይዝክር። ሽዑ ኲናት ነይሩ፤ ሕጂ እውን ኲናት ኣሎ። ተመሃሮ እንከለና ሓያል ጥሜት ነይሩ። ሕጂ'ውን ጥሜት ኣሎ። “ሰለምንታይ?” ክንበል ኣዕሊልና። ዶ\/ር ኣስናቀ ከምዚ ይብል፣ “ኮርያ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት፡ ብሕርሻ ካብ ተጸባይነት ናብ ረዳእነት ተሰጋጊራ ኣላ። 'ንሕናኸ፡ ስለምንታይ ኢና እዚ ክንገብር ዘይንኽእል' ኢልና ቆዚምና።” ‘ብዙሕ ዘይተመለሱ ሕቶታት ኣልዒልና ተፈላሊና’- ይብል። ድሕሪ 30 ዓመት ዳግማይ ምስ ዝራኸቡ፡ እዚ ሕቶ መልሲ ይረክብ’ዶ ይኸውን? እንድዒ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ckkd491p2gko"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 12 ሽሕ ተምሃሮ 'ኣይንፍተንን' ብምባል ካብ ሃገራዊ ፈተና ወፂኦም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ካብቲ ቅድሚ ሎሚ ዝካየድ ዝነበረ ብዝተፈለየ መገዲ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝተወሃበ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ፡ ልዕሊ 12 ሽሕ ተምሃሮ “ኣይንፍተንን” ብምባል ካብ ማእኸላት ፈተና ከምዝወፅኡ ተገሊፁ። ኣብ ክልተ ዙርያ ተመቒሉ ካብ ዝወሃብ ናይ ዓመተ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ሃገራዊ ፈተና፡ እቲ ካብ ሰኑይ 30 መስከረም 2015 [ኣ.ግ] ጀሚሩ ንተማሃሮ ማሕበራዊ ሳይንስ ዝወሃብ ዝነበረ ፈተና ከምዝተዛዘመ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣፍሊጡ’ሎ። ኣብቲ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ተምሃሮ ማሕበራዊ ሳይንስ ኮፍ ዝበሉሉ ፈተና፡ ካብ ኣርባዕተ ማእኸላት ኣስታት 13 ሽሕ ተምሃሮ ፈተና ኣይንወስድን ብዝብል ከይተፈተኑ ምትራፎም እቲ ሚኒስትሪ ሓቢሩ። ኣብ እዋን ፈተና ንዘጋጥም ስርቅን ምትላልን ንምክልኻል ብዝብል እቲ ሚንስትሪ ብዘዳለዎ ሓድሽ መስርሕ፣ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ናብ ዝርከባ መንግስታዊ ዩኒቨርሲቲታት ኣትዮም ክፍተኑ ይገብር ምህላዉ ይፍለጥ። መንግስቲ ነቶም ተምሃሮ ኣገልግሎት መጓዓዝያ፣ መግብን መደቀስን ብምቕራብ እቲ ፈተና ብፅኑዕ ቁፅፅር ከምዝተኻየደ ዝገለፀ ኮይኑ፣ ኣብ ገለ ከባብታት ግን ፀገማት ከምዝነበሩ ሓቢሩ። ካብዚኦም እቲ ሓደ፡ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ፈተና ኣብ ዩኒቨርስቲ ሃዋሳ ዝርከብ ድልድል ብምፍራሱ ሓደ ተማሃራይ ክመውት ከሎ ብዙሓት ተምሃሮ መቑሰልቲ ስለዘጋጠሞም ኣብታ መዓልቲ ፈተና ከይተወሃበ ተሪፉ’ዩ። ነቲ ዛጊት ዝተኻየደ ቀዳማይ ዙር መስርሕ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ዝምልከት መግለፂ ዝሃበ ሚኒስተር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ፡ ካብ ሞንጎ ኣብ ኣርባዕተ ዩኒቨርስቲ ዝተመደቡ ተምሃሮ ገሊኦም ከይተፈተኑ ምትራፎም ተዛሪቡ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከባ ዩኒቨርስቲታት መቅደላ ኣምባ፣ ደብረማርቆስ፣ ባህርዳርን ደብረ ታቦርን ክፍተኑ ካብ ሞንጎ ዝነበሮም ተምሃሮ እቶም 12 ሽሕን 787 ንገሊኡ ፈተና ወሲዶም ወይ ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ካብቲ ፈተና ወፂኦም እዮም። 1,700 ካብ ዩኒቨርስቲ መቅደላ ኣምባ ቀፅሪ መካነ ሰላም፣ 1,226 ካብ ዩኒቨርስቲ  ደብረማርቆስ፣ 2,711 ካብ ዩኒቨርስቲ ባህርዳር፣ 7,150 ድማ ካብ ዩኒቨርስቲ ደብረታቦር ምዃኖም ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣነፂሩ’ሎ። ሚኒስትሪ ትምህርቲ \"ንስርዓተ ትምህርቲ ዝጠሓሰ\" ክብል ነቲ ፍጻመ ዝገለፆ ኮይኑ፡ እቶም ካብ ማእከላት ፈተና ዝወጹ ተማሃሮ ብድልየቶም ከምኡ ከምዝገበሩን ካልእ ዕድል ፈተና ከምዘይረኽቡን ኣፍሊጡ። ብሰንኪ ናዕብን ካልኦት ፀቕጢታትን ፈተና ኣቋሪፆም ካብ ሞንጎ ዝወጻኡ ተምሃሮ እቶም ልዕሊ 7 ሽሕ ናብ ፈተና ከምዝተመለሱ ሚኒስተር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ተዛሪቡ። ካብዚ ብተወሳኺ ብፍላይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደብረ ታቦር፡ ተምሃሮ ብሓይሊ ፈተና ንምትዕንቓፍ ኣብ ዝፈጠርዎ ናዕቢ ሓደ ተምሃራይ ክመውት ከሎ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ ጉድኣት ከምዝበፅሐ ተገሊፁ። ነቲ ፈተና ንምትዕንቓፍ ዝፈተኑ ተምሃሮ ምፅራይ ብምግባር ዝወሰድዎ ፈተና ናይ ምስራዝ ስጉምቲ ከምዝውሰድ እቲ ሚኒስትሪ ገሊፁ’ሎ። ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ክርከቡ ትፅቢት ካብ ዝተገበረሎም 595 ሽሕ ተምሃሮ ማሕበራዊ ሳይንስ እቶም 586 ሽሕን 541 ነቲ ፈተና ከምዝወሰዱ ይዝረብ። ብፍላይ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ዓመት 2014 ንፈለማ እዋን። መንግስቲ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ዕዉት ንምግባር ብቢልዮን ዝግመት ገንዘብ [ብር] ብምምዳብ፣ ኣብ 160 ማእኸላት ኣስታት ሓደ ሚልዮን ተምሃሮን መምህራንን ኣብቲ ፈተና ክሳተፉ ከምዝገበረ ኣገልግሎት መራኸቢ መንግስቲ የመልክት። ሚኒስትሪ ትምህርቲ ከምዝሕብሮ፡ ተምሃሮ ተፈጥሮኣዊ ሳይንስ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ብተመሳሳሊ መስርሕ ፈተና ክወሃቦም እዩ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3g8wy0rllyo"} {"headline":"ካብ ግዜ ስርዓት ደርግ ኣትሒዞም ናብ ዩኒቨርሲቲ ንምእታው ዝጽዓሩ ኣቦ 11 ቈልዑ","content":"ስሩዕ ትምህርቲ ንምርካብ ዝገበርዎ ፃዕሪ ካብ ግዘ ስርዓት ደርግ ክሳብ ብልፅግና ሰለስተ ምምሕዳራዊ ዘበናት ተሳጊሩ። ኣይተ ታደሰ ጊቺሌ ኣብ ምዕራብ ወለጋ እዮም ተወሊዶም። ሓረስታይ እዮም፤ ኣብ ትርፊ ግዘኦም ድማ ኣብ እንዳ ሻሂ ተቖፂሮም ይሰርሑ። ኣብዚ ሰሙን፡ ታሪኽ ኣይተ ታደሰ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ መዘራረቢ ኮይኑ ቀንዩ። ኣብ 69 ዓመቶም ተመሃራይ ቀዳማይ ዓመት ዩኒቨርሲቲ ምዃኖም ብዙሕ የዘራርብ ኣሎ። ኣቶ ታደሰ፡ ቈልዓ እንከለው ስለ ዝኾነ ዝዘኽተሙ [ወለዶም ዝስኣኑ] ዝጀመሩዎ ትምህርቲ ናይ ምዝዛም ሕልሞም ተኾሊፉ። \"ቀደም ኣቦይን ኣደይን፡ ቈልዓ እንከለኹ ስለ ዝሞቱኒ ክመሃር ኣይከኣልኩን\" ይብሉ። ኣብ ግዘ ስርዓት ደርግ ክሳብ ሻምናይ ክፍሊ'ዮም ተማሂሮም፤ ሓላፍነት ስድራ ምስ ተሰከሙ ግን ትምህርቶም ከቋርፁ ተገዲዶም። ሓዳር ምስ መስረቱ ድማ ኣብ ዘበነ ኢህወደግ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ተመሊሶም። ሕጂ'ውን እቲ ዝጀመርዎ ትምህርቲ ክቕፅልዎ ኣይከኣሉን። \"ሰበይቲ ምስ ኣእተኹ ድማ፡ ቆልዑ ስለ ዝበዝሑኒ ብፕሮግራም ብፕሮግራም (እናተምሃርኩ፡ እናቋረፅኩ) ቀፂለ\" ይብሉ። ዋላ'ኳ ድሕሪ ዓመታት ናብ መኣዲ ትምህርቲ እንተተመለሱ፡ \"ብዙሕ ፀገማት ስለ ዘጋጠሞም፡ ናብ ሕርሽኦም ከም ዝተመለሱ\" ይዛረቡ። ወዲ 69 ዓመት ኣይተ ታደሰ ንጸገም ኢዶም ኣይሃቡን። ኣብ 2005 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ካብ ሻምናይ ክፍሊ ትምህርቲ ቀፂሎም። \"ዘበናዊ ትምህርቲ ክስእን የብለይን ኢለ፡ ናብ ሻምናይ ክፍሊ ተመሊሰ ፈተና ወሲደ። ድሕሪኡ ታሽዓይን ዓስራይን ክፍሊ ተማሂረ\"። ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ሕልሞም ሓደ ስጉሚ ምስ ቀረቡ ድማ ፈሺሉዎም። \"ዓሚ ናይ 12 ክፍሊ ፈተና ወሲደ ሰኣን ሓደ ነጥቢ'የ ወዲቐ\" ይብሉ። ድሕሪኡ፡ ብውልቆም ዳግማይ ናብ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ፈተነ ተፈቲኖም። 502 ነጥቢ ኣምፂኦም ሓሊፎም። \"ብውልቀይ መሊአ እንትፍተን፣ ኣምላኽ ኣጋጢሙኒ 502 ኣምፂአ ሓሊፈ\" ኢሎም። ሕዚ ተመሃሪ ቀዳማይ ዓመት ዩኒቨርሲቲ ጅማ ኮይኖም ኣለው። ኣይተ ታደሰ፡ ዝጸንሐ ጥሙሕ ትምህርቲ ከም ዘለዎም'ዮም ዝዛረቡ። \"ቀደም ናፍቖትን ድሌትን ትምህርቲ ነይሩኒ። ሰብ ኣብ ዝበፅሖ ክበፅሕ ኣለኒ። ስለ ምንታይ? እንተተባሂሉ ንመፃኢ ብዙሓት ትልምታት ኣለዉኒ። ዝተምሃረ ሰብ እዩ፡ ኩሉ ነገር ምስራሕ ዝኽእል\" ይብሉ። ንድሕሪት ምልስ ኢሎም እንትዝክርዎ፡ ወለዶም ብሂወት እንተዝህልዉ፡ \"መሓዙተይ ኣብ ዝበፅሕዎ ክበፅሕ ነይረ\" ብምባል የስተማስሉ። ኣይተ ታደሰ፡ ሕጂ ኣቦ 11 ቆልዑ እዮም። ንርእሶም ዝፈትውዎን ዝምነይዎን ትምህርቲ፡ ብደቆም ንምስኻዕ ዝገበርዎ ፃዕሪ ብኽፋል እውን እንተዀነ፡ ዝሰመረሎም ይመስል። \"ካብ 11 ደቀይ እቲ ሓደ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ፋብሪካ እዩ ዝሰርሕ። እቲ ካልኣይ ድማ ዓሚ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣርባ ምንጭ ተመሪቑ፡ ስራሕ ይደልይ ኣሎ። ካልኦቶም ካብ ሻምናይ ክፍሊ ጀሚሮም ክሳብ መውዓሊ ህጻናት ይመሃሩ ኣለዉ። ኣርባዕቲአን ደቀይ ግና ኣይንመሃርን ኢለን ሓዳር ገይረን። ምስ በዓልቲ ቤተይ ተማኺረ፡ ንዓኽን ዘእቱ የለን ኢለ ነጊረየን\" ይብሉ። ኣይተ ታደሰ፡ ናይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቶም ምስ ኣቦነት፣ ሕርሻን ስራሕ እንዳ ሻሂን ኣጠዓዒሞም እዮም ወዲኦም። ኣንጊሆም ሰዓት 11፡00 ይለዓሉ። ናይ ሕርሻ ግራቶም ኣለሳሊሶም፡ ንጉሆ ሰዓት 2፡30 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ናብ ቤት ትምህርቲ ይኸዱ። ድሕሪ ሰዓት ድማ ናብ ማሕረሶም ይምለሱ። \"ክሳብ 12 ክፍሊ ዘሎ ቤት ትምህርቲ ንዓና ቀረባ እዩ። 10 ደቒቕ እዩ ዝወስድ። ናይ ሕርሻ ቦታይ ድማ ካብ ገዛይ ናይ 25 ደቒቕ መገዲ እዩ። ኣጋ ወጋሕታ ሰዓት 11፡00 ተላዒለ፡ ሕርሻይ ኣዳሊወ ናብ ትምህርቲ ይኸይድ። ካብኡ ሰዓት ትሽዓተ ተመሊሰ ኣብዑረይ ፀሚደ እሓርስ። ቡን እተክል\" ይብሉ። ሙሉእ መዓልቲ ኣብ ትምህርትን ሕርሻን ውዒሎም፡ ምሸት ደቆም ምስ ደቀሱ ድማ ካብ ሰዓት 4፡00-9፡00 [ድሕሪ ቀትሪ] የፅንዑ። ንትምህርቲ ብሰለስተ ምምሕዳራዊ ዘበናት ፈቲሸሞ እዮም። ኣብ ግዘ ስርዓት ደርግ ዝነበረ ሕዚ ምስ ዘሎ ዝፈላለይ እኳ እንተኾነ ኣይከበዶምን። \"ንኣብነት፡ ትምህርቲ ሒሳብ ናይ ቀደምን ናይ ሕዝን ይፈላለይ እዩ. . . ፊዚክስን ኬሚስትርን ኣይኸብዱንን። ብደንቢ'የ ዘፅንዕ\" ብምባል፡ ኣብ እንዳ ሻሂ ኣብ ዝሰርሕሉ ድማ ጎኒ ጎኒ ከም ዘፅንዑ ይዛረቡ። ምስ ዕድመን ምድርራብ ሓላፍነትን ኣይደኽሞምን'ዶ ? ክንብል ሓቲትናዮም። \"ኣይደኽመንን። ናይ ጉልበት ስራሕ ንባዕሉ ስፖርት እዩ። ኣብ እንዳ ሻሂ እሰርሕ። ክሳብ ሰዓት 4፡00 ድማ ንባኒ ዝኸውን ሊጥ ይለውስ። ደብተረይ ሒዘ ኣብኡ ኮይነ የጽንዕ። ሓጎስ እስምዐኒ\" ኢሎም። በዓልቲ እንደኦምን ደቆምን፡ ኣይተ ታደሰ ብትምህርቲ ምቕፃሎም ይድግፍዎ እዮም። \"መሓዙትካ ኣብ ዝበፅሕዎ ክትበፅሕ ኢኻ ኢሎም ፈቒዶምለይ። ፀገም የለን፤ ንተሓጋገዝ ኢና\" ይብሉ። ተምሃራይ ካልኣይ ብርኪ እንከለዉ፡ ብመምህራኖምን ሓቢረሞም ብዝመሃሩን መናእሰይን ይነኣዱ ከም ዝነበሩ ይዛረቡ። ምስኦም ብፍርቂ ዕድመ ምስ ዝንእሱ መናእሰይ ይመሃሩ እንተነበሩ'ውን፡ ንምርድዳእ ኮነ ከምቶም መናእሰይ ንምጉያይ ከርና ኣይተፀገሙን። \"መምህራነይ ምስጋና የቕርቡለይ. . . ተምሃሮ ይሕጎሱ። 'ኣቦና ኣብ ሞንጎና ኮፍ ኢሎም ስለ ዝመሃሩ ተስፋ ረኺብና ኢና። ካብ ሕዚ ንደሓር ትምህርትና ኣይነቋርፅን' ብምባል ብጣዕሚ ይሕብሕቡኒ። ምስቶም ቈልዑ ኵዕሶ እፃወት። ቀደም'ውን እኮ ስፖርተኛ እየ ነይረ! ኣይኸብደንን። ብጣዕሚ እሕጎስ\" ይብሉ። ኣይተ ታደሰ ዓብይ ብምዃኖም፡ ነቶም መናእሰይ ይምዕድዎም። \". . . ትምህርቲ እንከይወዳእኹም ኣብ ሜዳ ተንከራቲትኩም ጫት ካብ ትቕሕሙ፣ ኣልኮል ካብ ትሰትዩ፣ ጠላዕ ካብ ትፃወቱ፣ ኣብ ወረን ዘይኮነ ቦታ ካብ ትውዕሉን በይዛኹም ትምህርትኹም ተኸታተሉ። ዝተምሃረ ሰብ ኩሉ ነገር ክፍፅምን ዝደለዮ ክረክብን ይኽእል እዩ። ሃገር ክመርሕ፣ ፕሮፌሰር፣ ሓኪም ክኸውን ይኽእል. . .\"። ሕልሚ ኣይተ ታደሰ ሓኪም ምዃን እዩ። ድሕሪ ቃልሲ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ምምላሶም \" ንኣምላኽ ኣመስግኖ\" ይብሉ። \"ዝምነዮ፣ እንተድኣ ተሳኺዑለይ ዶክተር ክኸውን እደሊ። ንምንታይ? እንተይልክኒ፡ ንብዙሕ ሰብ ምእንታን ክሕግዝ እየ ነዚ መሪፀ\" ብምባል ባህጊ ፅበሖም ነጊሮምና። ትምህርቲ ዕድመ ይግድቦ እዩ ዋላ'ኳ እንተዘይተብሃለ፡ ንብድሆታት ሓሊፎም ሓደ ግዘ ጥራሕ እንተይኮነስ ብተደጋጋሚ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ንምምላስ እንታይ ኣበርቲዕዎም? ኢልናዮም። ወዲ 69 ዓመት፡ ተምሃራይ ቀዳማይ ዓመት ዩኒቨርሲቲ ጅማ ኣይተ ታደሰ፡ \". . . ልምዓት ምዝርጋሕ ዝከኣል፣ ሹቕ ምርካብ ዝከኣል፣ ፋብሪካ ምጥያሽ ፣ ንሃገር ንምሕጋዝ ኮነ ንህዝቢ ንምሕጋዝ ትምህርቲ የድልይ። ብዘይ ትምህርቲ ዝሳኻዕ ነገር የለን። ልበይን ሓንጎለይን ንኽዓቢ ክመሃር እየ!\" ብምባል ሓሳቦም ይዛዝሙ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61500350"} {"headline":"ኤርትራ፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ 50.4 ሚእታዊት ጥራይ ሓሊፎም","content":"ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራ ሻምናይ ክፍሊ ዓመተ ትምህርቲ 2021-2022 ካብ ዝተሳተፉ ተመሃሮ፡ እቶም 50.4 ሚእታዊት ጥራይ ከምዝሓለፉ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ኣሃዱ ሃገራዊ መርመራ ሻምናይ ክፍሊ ሚኒስትሪ ትምህርቲ መምህር ሃብተ ኣስፍሃ ምስ ቴለቪዥን ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ ካብቶም 48 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ዝርከባኦም 54,578 ተፈተንቲ፡ ብሓፈሻ 27,507 ከምዝሓለፉ ገሊጹ። ኣብቲ ካብ 8 ሰነ ክሳብ 10 ሰነ ዝተኻየደ ሃገራዊ መርመራ፡  5 ዓይነታት ትምህርቲ፣ ቊጽሪ፡ እንግሊዝ፡ ማሕበራዊ ትምህርቲ፡ ትምህርቲ ዜግነትን ስነ-ፍልጠትን ዘጠቓልል እዩ ነይሩ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ 397 ኣብያተ ትምህርቲ ንፈተና ዝተዳለዉ ልዕሊ 54 ሽሕ ተመሃሮ ኣብ 430 ማእከላት መርመራ ከምዝተፈተኑ ዝገለጸ እቲ ሓላፊ፡ ካብቶም ተፈተንቲ 26,156 ደቂ ኣንስትዮ ከምዝነበራ ገሊጹ። ካብቶም ተፈተንቲ 812 ተመሃሮ ልዕሊ 90 ነጥቢ ከምጽኡ እንከለዉ ካብዚኦም እተን 54% ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን’ውን መምህር ሃብተ ሓቢሩ። ኣብ ሱዳን ካብ ዝተፈተኑ ተመሃሮ ብምሉኦም ክሓልፉ እንከለዉ፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝተፈተኑ፡ 25.5 ሚእታዊት ጥራይ ብምሕላፎም እታ ዞባ ዝተሓተ ነጥቢ ዘመዝገበት ዞባ ኰይና ኣላ። ዞባ ማእከል፡ 70.1 ሚእታዊት ካብ ተፈተንታ ብምሕላፍ ዝለዓለ ነጥቢ ዘመዝገበት ዞባ ክትኸውን ክኢላ። ዞባ ዓንሰባ 46.6 ሚእታዊት፡ ዞባ ደቡብ 48.3 ሚእታዊት፡ ጋሽ ባርካ 39.9 ሚእታዊት ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኸኣ 50.4 ሚእታዊት ኣሕሊፈን ኣለዋ። ካብቶም ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝተፈተኑ 71.7 ሚእታዊት፡ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል 72 ሚእታዊት ከምዝሓለፉ’ውን እቲ ሓላፊ ብተወሳኺ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት 40 ሚእታዊት ዝነበረ መሕለፊ ነጥቢ፡ ሎሚ ዓመት ናብ 45 ነጥቢ ክብ ከም ዝበለ መምህር ሃብተ  ሓቢሩ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ce7yn9n4edro"} {"headline":"ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ እንከለ ቆልዓ ወሊዳ ብዝለዓለ ውጽኢት ዝተመረቐት ፎዚያ ጀማል","content":"ፎዚያ ጀማል ኣብ 2010 (2018) ናብ ዩኒቨርሲቲ ኦዳ ቡልቶም ተመዲባ ክትከይድ ከላ ገና ሓዳሽ መርዓት'ያ ነይራ። ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ኣትያ: ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ‘ኢኮኖሚክስ’ (ስነ-ቁጠባ) ክትምሃር ኣብ ዝተመደበትሉ እዋን ከኣ ነፍሰጾር ምዃና ክትፈልጥ ኪኢላ። በዚ ምኽንያት ግን ትምህርታ ክተቋርጽ ኣይደለየትን። ነፍሰጾር ኮይና ከምቲ ንቡር ዘድልያ ነገራት ኩሉ ዘቕርበላን ዝከናኸናን ኣባል ቤተሰብ’ኳ እንተዘይረኸበት: ማዕረ ካልኦት ተምሃሮ’ያ ትምህርታ ተኸታቲላ። ፎዚያ ቀዳማይ ዓመት ትምህርቲ ተኸታቲላ ኣብ ዝወደአትሉ እዋን: ኣብ ኩሎም ዓይነታት ትምህርቲ ውጽኢታ ዝለዓለ ደረጃ (‘A’) ዘምጸአት ኮይና፤ ሽዑ ምኽንያት ድርብ ሓጎሳ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ ጓል ተቦኲራ ክትሓቁፍ ምብቅዓ'ዩ ነይሩ። ብድሕሪኡ’ውን ብሓደ ኢዳ ጓላ ሓቚፋ በቲ ካልእ ኢዳ መጽሓፍ ዘርጊሓ እናንበበት ትምህርታ ብትግሃት ምክትታል ቀጸለት። ጻዕራ ድማ ብዘይፍረ ኣይተረፈን። ንሰለስተ ዓመታት ዝጸንሐ ትምህርታ ወዲኣ ኣብ ዝተመረቐትሉ ዓመት: ካብ ሞንጎ’ቶም ዝወሰደቶም 38 ኮርሳት [ዓይነታት ትምህርቲ] ነቶም 31 ብዝለዓለ ('A+')] ነቶም ዝተረፉ ሸውዓተ ድማ 'A' ብምምጻእ ዛዚማቶም። ፎዚያ ጀማል ኣብ 2012 (2020) ካብ ዩኒቨርሲቲ ኦዳ ቡልቶ ክትምረቕ’ኳ እንተነበራ እቲ ስነስርዓት ምረቓ ግን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተናዊሑ ብምጽንሑ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2013 (2021) እያ ብዝለዓለ መዓረግ ክትምረቕ ዝበቐዐት። ሽዑ እቲ ዩኒቨርሲቲ ንሳ እትርከቦም ብሓፈሻ 929 ተምሃሮ ኣመሪቑ። “ዘይከኣል ነገር የለን!” ኣብ ክልል ኦሮሚያ: ምዕራብ ሃረርጌ: ወረዳ ቦኬ: ተወሊዳ ዝዓበየት ፎዚያ ተምሃሪት 11 ክፍሊ እናሃለወት ሓዳር ከምዝገበረት ንቢቢሲ ተዛሪባ’ላ። ኣብ ናይ ሰለስተ ዓመታት ጻንሒት ዩኒቨርሲቲ እቲ ሓደ ዓመት ነፍሰጾር ኮይና፤ ኣብ ካልኣይ ዓመት ቆልዓ ሓቚፋ እናዕበየት ክትመሃር ከላ ዝተፈላለዩ ፈተናታት’ኳ እንተጓነፍዋ ዕላምኣን ትኹረታን ኣብ ሓደ ጉዳይ ጥራሕ ብምግባር ናብ ዓወት ከምዝበቕዐት ትገልጽ። “ስርሐይ ኢልካ ንነብስኻ ኣእሚንካ እንተጀሚርካዮ ዘይከኣል ነገር የለን። ኣነ’ውን ዋላ ነፍሰጾርር ኮይነ ኣብ ውጽኢተይ ዝኾነ ጽዕንቶ ከሕድር የብሉን ብምባል የጽንዕ ነይረ። ነፍሰጾር ኮይንካ ትምህርቲ ምክትታል ብድሕሪኡ ድማ ቆልዓ ሒዝካ ፈታኒ’ኳ እንተኾነ: ዝሓሰብክዎ ኣሳኺዐ ኣለኹ” ትብል። ኣብዚ ዕውት ናይ ትምህርቲ ጉዕዞኣ ድማ በዓል ገዝኣ ካብ ጎና ከምዘይተፈለያ ትገልጽ። “ኣብዚ ዕውት ጉዕዞይ እጃም በዓል ቤተይ ዓብዪ እዩ ነይሩ” እትብል ፎዚያ “ሓቂ ንምዝራብ ንሱ ፍልይ ዝበለ እዩ። ንትምህርተይ ፍሉይ ቆላሕታ ይህብ ነይሩ። ንሱ ይመሃር ከምዘሎ ገይሩ እዩ ዝቖጽሮ። ልዕለይ ይጭነቕ። ምስጢር ዓወተይ እዩ” ብምባል ከኣ ተረድእ። ፎዚያ ንሰለስተ ዓመታት ዝኣክል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦዳ ቡልቶ ኣብ ዝጸንሐትሉ እዋን ንዘመዝገበቶ ዝለዓለ ነጥቢ ክልተ ጽዋዕን (ዋንጫ) ሓደ ወርቂ ሜዳሊያን ተሸሊማ’ያ። ነታ ኣብ ቀዳማይ ዓመት ተምሃሪት ዩኒቨርሲቲ ኮይና ዝወለደታ ጓላ ሞኔት ዝብል ስም ሂቦማ። ተዓዊትና ዝብል ትርጉም ከኣ ኣለዎ። “ደቂ ኣንስትዮ ዕውታት ክንከውን እንተኾይንና ቆራጻት ክንከውን ይግባእ። ኣይክእልን ዝብል ነገር ንውሽጥና እንተ ኣእሚንናዮ ብሓቂ’ውን ዘይንኽእሎ ነገር ኣይክህሉን'ዩ። ሰሪሔ ናብዚ ደረጃ ክበጽሕ ኣለኒ እንተይላ ዋላ ሓደ ዝዓግታ ነገር የለን” ዝብል ማዕዳ ንደቂኣንስትዮ ትልግስ። ፎዚያ: ኣብዚ እዋን ኣብቲ ብብዙሕ ጻዕርን ትብዓትን ዝለዓለ ውጽኢት ዘምጸኣትሉ ዩኒቨርሲቲ ኦዳ ቡልቶ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ኢኮኖሚክስ (ስነ-ቁጠባ) መምህር ኮይና እናሰርሐት ትርከብ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56446924"} {"headline":"ኤርትራ፡ ተዓጽየን ዝጸንሓ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ዝመጽእ ወርሒ ጀሚረን ክኽፈታ ምዃነን ተገሊጹ","content":"ኣብ ኤርትራ ኩለን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተዓጽየን ዝጸንሓ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሚያዝያ ክኽፈታ ምዃነን ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ። ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል፡ ንውሳነ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ጠቒሱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብ መውኣለ-ህጻናት ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ዝርከባ ትካላት ትምህርቲ፡ ካብ 1 ሚያዝያ ጀሚረን ክኽፈታ'የን። እቲ ስጉምቲ፡ ኣካል ምፍኳስ ዕጽዋን እገዳታትን ናይቲ ለበዳ ምዃኑ'ውን እቲ ሚኒስተር ጠቒሱ። ህዝባዊ መጓዓዝያን ንግዳዊ በረራታትን'ኳ ክሳብ ሕጂ ተኣጊዱ እንተሃለወ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ከተማታት ምፍኳስ ናይቲ ዝነበረ ተረር ዕጽዋ ከምዝተራእየ ይግለጽ። ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራ ካብ 26 መጋቢት 2020 ጀሚረን ንኣስታት ሓደ ዓመት ብዘይምቁራጽ ተዓጽየን ምጽንሐን ይፍለጥ። እታ ሃገር ካብተን ዝተረረ ዕጽዋታትን እገዳታትን ኮሮናቫይረስ ዝኣወጃ ሃገራት'ያ። ኣቐዲሙ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ፡ ኮለጃትን እታ ኣብ ወታሃደራዊ መዓስከር ሳዋ እትርከብ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ዝዛዝሙላ ቤት ትምህርትን ክኽፈታ ተወሲኑ ምንባሩ ይዝከር። ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 3 ወርሒ፡ ለብዒ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኤርትራ እናወሰኸ ይመጽእ ምህላዉ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ። ዛጊት፡ 3,118 ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ ካብዚኦም 2,865 ሓውዮም ካብ ሆስፒታላት ዝተፋነዉ'ዮም። ካብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ሎሚ ኣብ ዘሎ እዋን ጥራይ ቁጽሪ መልክፍቲ ካብ 2,000 ናብ ልዕሊ 3,000 ክብ ኢሉ'ሎ። ኣብታ ሃገር ክሳብ ሕጂ 7 ሰባት በቲ ቫይረስ ሞይቶም ምህላዎም ይፍለጥ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56488590"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ: ኣብ ኤርትራ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ከመይ ይኸይድ ኣሎ?","content":"ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተዓጽየን ዝጸንሓ ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራ ካብ መጀመርታ ሰሙን እዚ ወርሒ ከምዝጀመራ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ምግላጸን ዝዝከር እዩ። እንተኾነ ግን፡ ለብዒ ናይቲ ቫይረስ ንምቁጽጻር ብፍላይ ኣብተን ጻዕቂ ተማሃሮ ዘለወን ከተማታት ተማሃሮ ብሰለስተ እብረ ይምሃሩ ከምዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ኣብ ምጅማር እቲ ትምህርቲ \"ኣብ ክፍሊ ንዝህሉ ጻዕቂ ንምጉዳል ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ብሰለስተ እብረ ክሰርሓ ምዃነንን፡ ነቲ ኣብኡ ክፍጠር ዝኽእል ለብዒ ናይ ምክትታል ኣገባባት ክትግበር ምዃኑን\" ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ኣፍሊጡ ነይሩ። ኤርትራ፡ ሓንቲ ካብተን ትሑት መጠን መልከፍቲን ሞትን ዘለዋ ሃገር'ኳ እንተኾነት፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን እቲ ለብዒ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር የመልክት። መንግስቲ ኤርትራ ንኣስታት ሓደ ዓመት ተሪር ዕጽዋ ኣዊጁ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምፍኳስ እገዳታት ክገብር ጀሚሩ'ሎ። ብዘይካ ምኽፋት ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኣብ ውሽጢ ከተማታት ይኹን ካብን ናብን ከተማታትን ገጠራትን ህዝባዊ መጓዓዝያ ጀሚሩ ይርከብ። ክሳብ 16 ሚያዝያ፡ 3,491 ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ 3,288 ሓውዮም ካብ ሆስፒታላት ተፋንዮም: 10 ኸኣ ብሰንኪ እቲ ሕማም ሞይቶም። ትምህርቲኸ ከመይ ይካየድ ኣሎ? ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንኮሮናቫይረስ ኣመልኪቱ ኣብ ዘስምዖ ቃል ኤርትራ ኣብ ምክልኻል ዘተኮረ እስተራተጂ ከም እትኽተል እዩ ገሊጹ ነይሩ። ምዕጻው ኩለን ኣብያተ ተምህርቲ ነቲ ለበዳ ንምቁጽጻር ካብ ዝተወሰዱ ስጉምታት ሓደ እዩ። ብጀካ እቶም ድሒሮም ናይ 11 ክፍሊ ትምህርቶም ዛዚሞም ናብ ሳዋ ዝተበገሱ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃን ኮሌጃታን ኸኣ፡ ኩለን ኣብያተ ትምህርትን መዋእለ ህጻናትን ንሓደ ዓመት ተዓጽየን እየን ጸኒሐን። ዳይረክትር ጀነራል ክፍሊ ምርምርን ምምዕባል ዓቕሚ ሰብን ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣቶ ጴጥሮስ ሃይለማርያም ንምኽፋት ኣብያተ ትምህርቲ ኣመልኪቱ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ምስ ድምጺ ሓፋሽ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን ምጽንሐን እቲ ሕማም ካብዚ ዘለዎ ንላዕሊ ከይላባዕ ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮ'ዩ ገሊጹ። ሕጂ ምስ ምኽፋት ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኣብ ውሱን ቦታታት ወይ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዝዩ ዘሰክፍ ነገር ምስ ዘጋጥም፡ ምስ ዝምልከቶም ክኢላታት ጥዕና ብምዝራርራብ እቲ ዘሰክፍ ቤት ትምህርቲ ክዕጾ ከምዝኽል ኣተንቢሁ። ኣቶ ጴጥሮስ ሃይለማርያም፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ዞባ ምስ ሚኒስትሪ ጥዕናን ሚኒስትሪ ትምህርትን ዝሰርሓ ኮሚተታት ቆይመን ከምዘለዋን እዘን ኮሚተታት ክሳዕ ናብ ቤት ትምህርቲ ዝወርድ እንታይ ዓይነት ጥንቃቐታት ከምዝከታተላ ሓቢሩ። \"ኣብ ነፍሲ ወከፍ ትምህርቲ ማይ ኣልኮል ዝኣመሰለ ነገራት ንኽህሉ ሚኒስትሪ ትምህትቲ ምድላዋት ክገብር ጸኒሑ ብሕጂ'ውን ክቅጽል እዩ። ወለድን ኣብ ከከባቢኡ ዘሎ ኮማትን እጃሙ ከበርክት፡ ነፍሲ ወከፍ ተማሃራይ፡ መምህራንን ሰራሕተኛታት ኣብያተ ትምህርትን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ ግድነት እዩ\" ድማ ኢሉ። ሚኒስትሪ ጥዕና ዘዳለዎ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ተማሃራይን መምህራንን ናብ ቤት ትምህርቶም ክኣትዉ እንከለዉ መጠን ሙቐቶም መዐቀኒ ቴርሞሜተራት ኣዳልዩ ከምዘሎ እኳ ኣቶ ጴጥሮስ እንተገለጸ፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ምንጭታት ግን እቲ ቴርሞሜተራት ኣብ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ከምዘየለ እዮም ዝገልጹ። ኣብ ከተማ ደቀምሓረ መባእታ ቤት ትምህርቲ ዕርዲ ዓወት እትምህር መምህር ብርሃን (ሓቀኛ ስማ ኣይኮነን) \"ኣምላኽ ባዕሉ ይሓልወና'ምበር ኣብ መጀመርታ ትምህርቲ ዝኸፈትናሉ ነቶም ተመሃሮ ንዕቅኖም ነይርና፡ እታ ቴርሞሜተር ግን ንኹሎም ተማሃሮ ሓደ ዓይነት ሙቐት ከምዘለዎም እያ ተርእየና ነይራ፡ ካልእ ጥዕይ ዝበለት ቴርሞሜተር ንኽትውሃበና ናብ ሚኒሰትሪ ትምህርቲ እቲ ንኡስ ዞባ ተሓቲቱ ኣሎ\" እያ ትብል። ኣቶ ጵጥሮስ ሃይለማርያም ኣብቲ ምስ ድምጺ ሓፋሽ ዝገበሮ ቃለ መሕተት \"ከም ኣጋጣሚ ሰብ ሙቐቱ ልዒሉ ምስ ዝጸንሕ ነብሲ ወከፍ ቤት ትምህርቲ ግዝያዊ መወሸቢ ክፍሊ ፈልያ ክትጸንሕ ተነጊሩ ኣሎ\" ኢሉ። ኣብ ባጽዕ ኣብ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ ዝምህር መምህር ብወገኑ፡ ቤት ትምህርቶም ተማሃሮ ታሽዓይን ዓስራይን ጥራይ ይምህሩ ምህላዎም ብምሕባር፡ ኣብ ክፍሊ ብዙሕ ምጽቕቓጥ ከምዘየለ እዩ ዝሕብር። ንሱ ብምስዓብ \"ኣብዚ ቤት ትምህርቲ ካብ ብቐደምና'ውን ናይ ማይ ጸገም ስለዘይነበረና፡ እቶም ተማሃሮ'ውን ብዕድመ እኹላት ስለዝኾነ ጥንቃቐታት ክገብሩ ይኽእሉ እዮም፡ እቲ ሽግር ኣብ መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ እዩ ክኸውን ዝኽእል\" ይብል። \"ኣይኮነንዶ ብዙሓት ተማሃሮ ተኣኪቦም ኣብ ገዛ'ውን ንደቅናን ንኣሕዋትናን ዓይንኻ ኣይትሓዝ ኣፍንጫኻ ኣይትተንክፍ ክንብል ሞኽ ኢና ኢልና ዘለና\" ኢሉ። ዳይረክትር ጀነራል ክፍሊ ምርምርን ምምዕባል ዓቕሚ ሰብን ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣቶ ጴጥሮስ ሃይለማርያም፡ ወለዲ ንደቆም ማስክ ክገብርሎም ከምዘለዎም ብምዝኽኻር ወለዶም ማስክ ክገዝእሎም ዝጽገሙ ተማሃሮ እንተሃልዮም ግን ብመንገዲ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ንኽውሃብ ኣብ ግምት ኣትዩ ምህላዉ እዩ ጠቂሱ። ቢቢሲ ዘዘራረቦም መምሃራንን ወለድን ኣብ ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ ርኡይ ሕጽረት ቀርብ ናይ ማይ ከምዘሎ እዮም ዝሕብሩ ኣቶ ጴጥሮስ ሃይለማርያም'ውን ነዚ እዩ ኢሉ። \"ብረግጽ ኩለን ኣብያተ ትምህርትና ማይ ኣለወን ክንብል ኣይንኽእልን ኢና፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን 11 ክፍሊ ይምሃሩ ምስ ተባሃለ፡ ዘይምርት ሓጺን ከምኡ'ውን ኣጋንእ ተገዚኡ ንኣብያተ ትምህርቲ ዝተዘርገሐ ኣሎ\" ድሕሪ ምባል 10 ሽሕ ጀሪካናት ናብ ኣብ መላእ ሃገር ዘለዋ ኣብያት ትምህርቲ ከምዝተኸፋፈለ ምስ ድምጺ ሓፋሽ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ጠቂሱ። ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝነበረ ናይ ማይ ጸገም ኣብ ሓደ ግዜ ክፈትሖ ከምዘይክእል ብምግላጽ ኸኣ ናይ ኩሉ ምትሕብባር ከምዘድሊ ገሊጹ። ዓሚ ከምዚ ሎሚ ተማሃሮ፡ ካልኣይ ሰምስተር ኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ምስ ኣልዓልሉ እዩ እቲ ትምህርቲ ብሰንኪ ስግኣት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተቋሪጹ። ተማሃሮ ካብቲ ዓሚ ዘቋርጽዋ ምዕራፍ ብምጅማር ኣብ ከበሳታት ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ኣብ መታሕት ኸኣ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዘሎ ግዜ ትምህርቶም ክዛዝሙ ምኳኖም እዩ ተሓቢሩ ዘሎ። ስለዚ ሕጂ ካብታ ዘቋረጽዋ ብምቅጻል ነተን ተሪፈንኦም ዘለዋ ምዕራፋት እዮም ክዛዝሙ። ኣቶ ጴጥሮስ ሃይለማርያም እቲ ግዜ ዘይኣክል እንተመሲሉ ኣብ ከበሳ ቀዳም ቀዳም ተማሃሮ ከምዝምሃሩ ክግበር፡ ኣብ መታሕት ግን ቀዳም'ውን ካብ ቀደሞም ይጥቀሙላ ስለዝነበሩ ሓንቲ ሰሙን እናጸቀጡ ሰንበት'ውን ከምዝምሃሩ ናይ ምግባር መደብ ወጺኡ ከምዘሎ'ዩ ሓቢሩ። ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና 2ይ ደረጃ (ማትሪክ)፡ ካብ 12 ሚያዝያ ጀሚሩ ኣብ ምክያድ እዩ ዝርከብ። ኣብቲ ክሳብ 17 ሚያዝያ ዝካየድ ብ12 ዓይነታት ትምህርቲ ዝውሃብ ዘሎ ፈተና ኣብ ኤርትራ ኣብ 8 ነቑጣታት እዩ ዝውሃብ ዘሎ። ኣብ ሳዋ፡ ኣስመራ፡ ዓሰብ፡ ዓላ፡ ደቀምሓረ፡ ሓጋዝ፡ ማይሓባርን ናቕፋን። እቶም 88 ሚኢታዊት ኣብ ሳዋ ዝርከቡ 34 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝኾኑ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ ምዃኖም ሚኒስትሪ ትምህርቲ እታ ሃገር ሓቢሩ ኣሎ። ኣብ'ዚ ሎሚ ዓመት ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና፡ ኣስታት 14 ሽሕ ተመሃሮ ይሳተፉ ኣለዉ። ካብቶም ሎሚ ዓመት ማትሪክ ዝፍተኑ ዘለዉ እተን 47 ሚእታዊት ደቂኣንስትዮ ከምዝኾና'ውን እቲ ዝተውሃበ ሓበሬታ ይጠቅስ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ጅዳን ሪያድን ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ተማሃሮ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝዳሎ ፈተና ይፍተኑ ነይሮም እዮም። ሎሚ ዓመት ግን ለበዳ ኮቪድ-19 ንምግታእ መንግስቲ ስዑድያ ብዘውጸኦ ቅጥዕታት ክካይድ ኣይክኣለን።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56780252"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ጻዕቂ ክፍልታት ንምጉዳል ኣብያተ-ትምህርቲ ኤርትራ ብሰለስተ እብረ ክሰርሓ ተወሲኑ","content":"ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተዓጽየን ዝጸንሓ ኣብያተ-ትምህርቲ ኤርትራ ሎሚ ከም ዝተኸፍታ ሚኒስተር ዜና ሓቢሩ። እንተኾነ ግን፡ ለብዒ ናይቲ ቫይረስ ንምቁጽጻር፡ ብሰለስተ እብረ ስርሐን ክጅምራ ከምዝተወሰነ ተገሊጹ። \"ኣብ ክፍሊ ንዝህሉ ጻዕቂ ንምጉዳል ኩለን ኣብያተ-ትምህርቲ ብሰለስተ እብረ ክሰርሓ ምዃነንን፡ ነቲ ኣብኡ ክፍጠር ዝኽእል ለብዒ ናይ ምክትታል ኣገባባት ክትግበር ምዃኑን\" ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ኣፍሊጡ። ኤርትራ፡ ሓንቲ ካብተን ትሑት መጠን መልከፍቲን ሞትን ዘለዋ ሃገር'ኳ እንተኾነት፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን እቲ ለብዒ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና የመልክቱ። መንግስቲ ኤርትራ ንኣስታት ሓደ ዓመት ተሪር ዕጽዋ ኣዊጁ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምፍኳስ እገዳታት ክገብር ጀሚሩ'ሎ። ብዘይካ ምኽፋት ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኣብ ውሽጢ ከተማታት ይኹን ካብን ናብን ከተማታትን ገጠራትን ህዝባዊ መጓዓዝያ ጀሚሩ ይርከብ። ክሳብ ሎሚ 1 ማዝያ፡ 3308 ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ እቶም ዝበዝሑ (3049) ሓውዮም ካብ ሆስፒታላት ዝተፋነዉ'ዮም። እቲ ቫይረስ ናብታ ሃገር ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ ድማ 10 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ። ትማሊ ኣብ ዝወጸ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ኣብ ሓደ ኣብ ዞባ ደቡብ ዝርከብ ሆስፒታል ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሐ ወዲ 84 ዓመት ብሞት ከምዝተፈልዩ ጠቒሱ። እቲ ንነዊሕ እዋን ኣብታ ሃገር ዝጸንሐ ዕጽዋን እገዳታትን ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ከቢድ ጸቕጢ ከምዝፈጠረ ይንገር።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56608642"} {"headline":"ናይ ተምሃሮ ዕዮ ብምስራሕ ኣብ ምትላል ዝሕግዙ ዘለዉ ጸሓፍቲ","content":"ሓደ ተምሃራይ ኣብ ለንደን ወይ ኒው ዮርክ ኮይኑ፡ ትምህርታዊ ዕዮኡ ብመገዲ ኢንተርነት ኣቢሉ ዝረኸቦ ካልእ ሰብ ክሰርሓሉ ሃሰውሰው እንተዳኣ ኢሉ እቲ ዕዮ ኣብ ኬንያ ብዘሎ ሰብ ዝስረሐሉ ዕድል ዳርጋ ሚእቲ ምእታዊት እዩ፡፡ ቢቢሲ ትረንዲን ብዛዕባ እቶም: ወጻአተኛታት ከጭበርብሩ ዝሕግዙ ዘለዉ: ኣሰሮም ዘይረኣይ ጸሓፍቲ (ጎስት ራይተርስ) ካብ ናይሮቢ ዝስዕብ ጸብጻብ ኣዳልዩ ኣሎ፡፡ መምህር ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ ከነዲ፡ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ግን ኣብ ካልእ ዕዮ ወፊሩ ኣሎ፡፡ ‘‘ትምህርታዊ ጽሑፋት የዳሉ’’ ክብል ይገልጾ፡፡ ንሱ ኣካል እቲ ኣብ ኬንያ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ኢንዳስትሪ እዩ፡፡ እንተኾነ እቲ ከነዲን መሰላቱን ‘‘ትምህርታዊ ጽሑፍ’’ ኢሎም ዝጽውዕዎ፡ ካልእ ህዝቢ ዓለም ምትላል ወይ ምቑባይ እዩ ዝብሎ፡፡ ትምህርታዊ ዕዮ ዝኸብዶ ወይ ኣይግዱ እንተኾንካ ኬነዲን መሰላቱን ነቲ ስራሕ ይሰርሑልካ፡፡ ንስኻ ድማ ከምዘይትፍለጥ ተስፋ ብምግባር ዝሰራሕካዮ አምሲልካ ተቕርቦ፡፡ እቶም ነቲ ሰራሕን ኣስራሕን ዘራኽቡ ደለልቲ ‘‘ኢሰይ ሚል’’ ዝበሃል ድህረ ገጻት ዝውንኑን እቲ ከስርሕ ዝደልይ ሰብ ምልክታ ዝልጥፈሎምን እዮም፡፡ መብዛሕተኦም እቶም ድህረ ገጻት ኣብ ኣመሪካን ምብራቕ ኣውሮጳን ዝርከቡ ኮይኖም ክሳብ ፍርቂ እቲ መስርሒ ዋጋ ዝካፈሉ እዮም፡፡ መጠን እቲ ክፍሊት ከም ዓይነትን ክብደትን እቲ ዕዮ ዝፈላለ ኮይኑ ክሳብ ናይ ዶክትሬት መመረቒ ጽሑፍ (ፒኤችዲ ተሲስ) ዝበጽሑ ስራሕቲ ይዕየዩ፡፡ ከኔዲን ዝቖጸሮም ሰራሕተኛታትን ኣብ ወርሒ ክሳብ 200 ዝበጽሑ ጽሑፋትን ናይ ኦንላይን ፈተናታትን ይሰርሑ፡፡ ነዚ ዓውዲ ንግዲ ዘጽንዑ ሰባት ከምዝገልጽዎ ኬንያ ናይቲ ብውዕል ዝካየድ ምትላል ‘‘ኮንትራክት ቺቲንግ’’ ሕምብርቲ እያ፡፡ እቲ ምኽንያት ከኣ ቀሊል እዩ፤ ኬንያ ቋንቋ እንግሊዝ ዝዝረበላ፣ ጽፉፍ ስርዓተ ትምህርቲ ዘለዋ ግን ድማ ብፍላይ ንመናእሰይ ድኹም ቁጠባዊ ዕድላት ለዘዋ ብምዃና እዩ፡፡ ስለዚ ነቶም ናብራ ንምጥጣሕ ዝቃለሱ: ፍልጥቶም ንወጻእተኛታት ብምሃብ ቅርሺ ዝረኽቡሉ መገዲ ኣሎ ማለት እዩ፡፡ እቶም ነቲ ሰራሕን ኣስራሕን ዘራኽቡ ድህረ ገጻት እቶም ስራሕቲ ብጸዓዱ ከምዝስርሑ ኣምሲሎም እዮም ዘቕርቡዎም፡፡ ኮይኑ ግና እቲ ሓቂ ካልእ እዩ፤ እቲ ስራሕ ኣብ ኬንያ ዝስረሐሉ ዕድል ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ፡፡ ወዲ 30 ዓመት ከኔዲ ወርሓዊ 150 ሽሕ ናይ ኬንያ ሽልንግ ወይ ኣስታት 1,500 ዶላር ኣመሪካ ይረክብ፡፡ እዚ ድማ ካብ ማእከላይ ወርሓዊ ደሞዝ ብቐሩብ ዝዛይድን ናይቲ መምህር እናሃለወ ዝኽፈሎ ዝነበረ ኣርባዕተ ዕጽፍን እዩ፡፡ መትከላት ትምህርቲ ዓለም ክሽርሸር ኣብ ምግባር ምስታፉ ግን እንታይ ስምዒት ይፈጥረሉ ይኸውን? ከም መጠን መምህር ዝነበርኩ ሰብ፡ ስነ ምግባር ከምዝጠሓስኩ ይስመዐኒ እዩ ዝብል ከኔዲ ‘‘ይሓስብ እየ፤ ግን ልዕሊ ህይወተይ ዘጨንቐኒ እንታይ ኣሎ? ብዛዕባ ስነ ምግባር ክትሓስብ እኮ ፈለማ ክትነብር ኣለካ’’ ብምባል ንገንዘብ ኢሉ ከምዝሰርሕ ይዛረብ፡፡ ከነዲ ዓማዊሉ ብዝሰረሐሎም ስራሕ ዲግሪ ወይ ካልእ ወረቐት ሒዞም ካብ ናቱ ዝሓይሽ ኣታዊ ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ይፈልጥ እዩ፡፡ ‘‘ሽዑ ውድድርካ ምስኦም ከምዘይኮነ ትፈልጥ፤ ገለ እዋን እቲ ውድድር ኣንጻር ድኽነት እዩ’’ ይብል፡፡ ዋላኳ ኣብ ካልኦት ሃገራት እውን ትምህርታዊ ጽሑፋት ዘዳለዉ እንተሃለዉ እቶም ኣብ ኬንያ ዘለዉ ግን ናይ ባዕሎም ኣገባብ ኣማዕቢሎም እዮም፡፡ ተወሳኺ ኣታዊ ንምርካብ ካብ ዝሰርሑ ማእከለዎት ሰብ ሞያ ክሳብ ተምሃሮ ኣብቲ ስራሕ ይሳተፉ ፡፡ ደቪድ ካብቶም ናይ ትምህርቲ ወጻኢታቶም ኣብዚ ስራሕ ብምስራሕ ዝሽፍኑ 10 ሰባት ሓደ ከምዝኾነ ይገልጽ፡፡ ‘‘ስድራ ቤተይ ንናይ ትምህርቲ ወጻእታተይ ክሽፍኑ ኣይክእሉን እዮም’’ ብምባል ድማ ወጻእታቱ ንምሽፋንን እንተመሊእሉ ድማ ስድራ ቤቱ ንምሕጋዝን ከምዝጥቀመሉ ይገልጽ፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ናይ 360 ብሪጣንያውያንን ኣመሪካውያንን ጽሑፋት ኣዳልዩ እዩ፡፡ መዓልታዊ ክሳብ 15 ገጻት በምጽሓፍ ድማ ንገጽ 250 ናይ ኬንያ ሽልንግ ወይ 1.5 ፖውንድ ይኽፈሎ፡፡ ኣብታ ዝተወለደላ ገጠር መሬት ተኻርዩ ንምዝራእ ዝኸውን እኹል ኣታዊ ከምዝረክብ ዝገልጽ ደቪድ መጻኢኡ የጣጥሕ ከምዘሎ ይኣምን፡፡ ናይ ባዕልኻ ገጽ (ኣካውንት) ምኽፋት ከቢድ ከምዝኾነ ብምግለጽ ድማ ካብ ካልኦት ሰባት እናተቐበለ ከምዝሰርሕ ይዛረብ፡፡ እቶም ብዓማዊል ሓሙሽተ ኮኸብ ዝተውሃቦም ኣካውንትታት እውን ብኽቡር ዋጋ ዝሽየጡ ሃብትታት እዮም፡፡ ‘‘ልዕሊ 10 ኣካውንትታት ገዚአ እየ’’ ዝብል ከነዲ ገሊኦም ክሳብ 500 ሽሕ ናይ ኬንያ ሽልንግ ወይ 3,300 ፓውንድ ከምዝውድኡ ይገልጽ፡፡ ደቪድ እውን ምስተመረቐ ናይ ባዕሉ ኣካውንት ክህልዎ እዩ ዝደሊ፡፡ ከም ጆን ዝበሉ ኣብዚ ዓውዲ ዝነጥፉ ሰባት ግና ነዚ ስራሕ ብኣወንታ ኣይጥምትዎን እዮም፡፡ ንሱ ተመሪቑ እቲ ዝምነዮ ናይ ሚድያ ስራሕ እንተረኺቡ ነዚ ስራሕ ክጥንጥኖ እዩ ዝደሊ፡፡ ‘‘ናይ ነርሲንግ ተምሃሮ ትምህርታዊ ዕዮ ዝሰርሑ ኣለዉ፤ ፈተና ከፊሎም ብኻልእ ሰብ ኣብ ዘስርሑ ሰባት ከይደ ክሕከም ኣይደልን’’ ብምባል እዚ ስራሕ ክጠፍእ ከምዘለዎ ይገልጽ፡፡ ኣብ መልቲሚድያ ዩኒቨርሲቲ ናይሮቢ እትምህር ዶ\/ር ግላድየስ ኒያቺዮ፡ ነዚ ዓይነት ምትላል ናይ ምክልኻል ሓልፍነት ናይተን ተምሃሮአን ከፊሎም ዘስርሑ ዘለዉ ሃፍታም ሃገራት ከምዝኾነ ትሕብር፡፡ ገለ ሃገራት ስጉምቲ ምውሳድ ጀሚረን እየን፡፡ ንኣብነት ኣውስትራልያ ትምህርታዊ ጽሑፋት ዘዳልዉ ትካላት ኣጊዳ እያ፡፡ እንግሊዝ እውን ተመሳሳሊ ምንቅስቓስ ጀሚራ ከምዘላ ይግለጽ፡፡ እንተኾነ እዚ ነቲ ዶብ ተሳጋሪ ዓውዲ ብኸመይ ደው ከምዘብሎ ንጹር ኣይኮነን፡፡","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58501957"} {"headline":"ሰዓዳ ጀማል፡ ኣብ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ኢትዮጵያ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ዝለዓለ ውጽኢት ዘመዝገበት ተምሃሪት","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘነበ ትምህርቲ 2012 ዓ\/ም፡ ልዕሊ 350 ሽሕ ተምሃሮ ናይ 12 ክፍሊ ሃገራዊ ፈተና ከምዝወሰዱ፡ ካብ ኤጀንሲ ሃገራዊ ምዘናን ፈተናን ትምህርቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት። ኣብቲ ሃገራዊ ፈተና፡ ተምሃራይ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ዮሴፍ ዝኾነ ብሩክ ባልካቸው፡ እቲ ዝለዓለ ውጽኢት 669 ዘመዝገበ እዩ። ካልኣይ ዝወጸ ናይ ኤክዜል ኣዳማ ተምሃራይ ናኦል በለጠ ድማ 665 ኣምጺኡ። ከም ሓበሬታ እቲ ኤጀንሲ፡ ካብ ቀዳማይ ክሳብ መበል 14 ዝለዓለ ደረጃ ዝረኸቡ ኩሎም ደቂ ተባዕትዮ እዮም። ኣብቲ ተርታ ዝለዓለ መበል 15 ደረጃ ዝረኸበትን ካብ ደቂ ኣንስትዮ ዝለዓለ ውጽኢት ዘመዝገበትን ድማ ሰዓዳ ጀማል እያ። ቀጺላ ድማ ተምሃሪት ቤት ትምህርቲ ክሩዝ ቤዛዊት ብርሃነ ከምዝኾነት መረዳእታ እቲ ኤጀንሲ መልክት። ንቤተሰባ ቀዳመይቲ ቆልዓ ከምዝኾነት እትገልጽ ሰዓዳ ጀማል፡ ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ስልጤ ከተማ ወራቤ ተወሊዳ ከምዝዓበየት ትዛረብ። \"ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ኣልቀለም ኣብ ዝበሃል ቤት ትምህረቲ እየ ተማሂረ፤ ንፍዕቲ ተምሃሪት ነይረ\" ትብል። ካብ 5ይ ክሳብ 8ይ ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ወራቤ፣ ካብ 9ይ ክሳብ 12 ኣብ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ሃይረንዚ ትምህርታ ዝቐጸለት ሰዓዳ፡ ብዓውዲ ተፈጥሮ ሳይንስ ተማሂራ ዝለዓለ ውጽኢት ረኺባ። ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ትምህርታ ተሸላሚት ከምዝነበረት እትገልጽ ሰዓዳ፡ ኣብ ሃገራዊ ፈተና 10ይ ክፍሊ 4 ነጥቢ ረኺባ ዝተፈላለዩ ሽልማታት ተበርኪቶምላ እዮም። ንኣሕዋታ ጽቡቕ መርኣያ ከምዝኾነትን፡ 11 ክፍሊ ዝመሃር ሓዋ ኣሰራ ይስዕብ ከምዘሎን እውን ትገልጽ። ሰዓዳ ኣብቲ ሎምዘበን ዝተውሃበ ፈተና 12 ክፍሊ ጽቡቕ ውጽኢት ከምዝረኸበት እምበር፡ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ዝለዓለ ውጽኢት ዝረኸበት ንሳ ምዃና ኣይፈለጠትን ነይራ፤ ካብ ቢቢሲ እያ ሰሚዓቶ። ነቲ ብስራት ካብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ምስ ሰምዐቶ ምእማን ኣይከኣለትን ነይራ። ሰሓቕ ብዝዓብለሎ ታሕጓስ ተዓጂባ \" ገና ካባኺ እየ ዝሰምዖ ዘለኹ፤ ብጣዕሚ እየ ተሓጒሰ\" ኢላ። ሰዓዳ፡ ኣብ ዝርዝር እቶም ዝለዓለ ውጽኢት ዘመዝገቡ ተምሃሮ መበል 15 እትርከብ ኮይና፡ ቅድሚኣ ዘለዉ 14 ተምሃሮ፡ ተባዕትዮ እዮም። 650 ድማ ዘመዝገበቶ ውጽኢት እዩ። \"ልዑል ውጽኢት ከምጽእ ከምዝኽእል ተጸብየ ነይረ፤ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ቀዳማይቲ ዝኸውን ግን ኣይመሰለንን\" ብምባል ዝተሰመዓ ሓጎስ ገሊጻ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክወሃብ ዝነበሮ ፈተና 12 ክፍሊ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ተናዊሑ እዩ ነይሩ። ጸኒሑ ድማ እቲ ፈተና ብታብሌት ክወሃብ እዩ ተባሂሉ ተደናጉዩ፤ ኣብ መወዳእታ ብውረቐት ክፍተኑ ተወሲኑ። እቲ ፈተና ብደረጃ ሃገር ን350 ሽሕ ተምሃሮ እዩ ተዋሂቡ። ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽዮም ዝነበሩ ኮይኖም፡ መምህራኖም ብቴሌግራም ሓገዝቲ ጽሑፋት ይልእኹሎም ከምዝነበሩ ሰዓዳ ትገልጽ። \"ናይቲ ፈተና ብተደጋጋሚ ምንዋሕ ከቢድን ተስፋ ዘቑርጽን ነይሩ። ነቲ ዳሕራይ ዝረኽቦ ውጽኢት እናሓሰብኩ ንባዕለይ የዳሉ ነይረ\" ትብል ሰዓዳ። ውጽኢት እቲ ፈተና ኣብ ዝረኣየትሉ እዋን ምስ ዓባያ ከምዝነበረት እትገልጽ ሰዓዳ፡ ብዛዕባ እቲ ዝረኸበቶ ውጽኢት ፈለማ ንዓባያ፡ ጸኒሓ ድማ ንወለዳን ንኣዕርኽታን ከምዝነገረቶም ተዛሪባ። ወለዳ ካብ ምሕጓሶም ብተወሳኺ ድማ \"ካብዚ ዝበለጸ ኢና እንጽበ\" ከምዝበልዋ ትዝክር። ሰዓዳ ኣብ ገዛ ናይ ስራሕ ጻዕቒ ከምዘይብላ እያ እትገልጽ፤ ስድራኣ ድማ ዝሓሸ ውጽኢት ክትረክብ የበረታትዕዋን ባይታ መቻችዉላን። ኣብ ክፍሊ ዝወሃብ ትምህርቲ ብኣግባቡ ምክትታላ፡ ፈተና ምስቀረበ ከይኮነስ ብኣጋ ምንባባ ጽቡቕ ውጽኢት ክትረክብ ሓጊዙዋ እዩ። \"ፈተና ምስኣኸለ ምንባብ፡ ብኣግባቡ ከይተረዳእካ ናብ ፈተና ምእታው ስለዘስዕብ ኣይመርጾን\" ትብል። \" ፈተና ሃለወ ኣይሃለወ የንብብ፤ ንክፈልጥ ድማ እየ ዘንብብ።\" ትምህርቲ ሕክምና ክትመሃር ድልየት ከምዘለዋ እትገልጽ ሰዓዳ፡ ብጽቡቕ ውጽኢት ተመሪቓ ማሕበረሰባን ሃገራን ናይ ምግልጋል ሕልሚ ከምዘለዋ ትዛረብ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56630820"} {"headline":"ዩኒቨርሲቲ ድሕሪ ጥሮታ፡ ዕድመ ንትምህርቲ ከምዘይግድቦ ዘርእዩ ዘለዉ ኣርካናት","content":"ዩኒቨርሲቲ ዝብል ቃል እንትንሰምዕ፡ ብኣብዝሓ ኣብ ክሊ ዕድመ ዕስራታት ዝርከቡ መንእሰያት ተምሃሮ ቅጅል ይብሉና ይኾኑ። ኣብቲ ቀጽሪ እንርእዮም ዕድመ ድፍእ ዘበሉ ሰባት ድማ መምህራን ወይ ሰራሕተኛታት እምበር፡ ተምሃሮ ይኾኑ ኢልና ኣይንሓስብን። ኮይኑ ግና ናይ ወዲ ሰብ ናይ ምንባር ዕድመ እናወሰኸ ይመጸሉ ኣብ ዘለሉ ኣብዚ እዋን፡ ብዙሓት ዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ድሕሪ ጥሮታ ዝተረፈ ዕድሚኦም ኣብ ዩኒቨርሲቲ እናተምሃሩ ከሕልፍዎ ይመርጹ ኣለዉ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት በቢዓመቱ 24 ጥሪ ኣብ ዘኽብሮ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ትምህርቲ፡ ቢቢሲ ኣብ ኢንዶኔዥያ፣ ካናዳ፣ ብራዚልን ኣውስትራልያን ንዝነብሩ ኣርባዕተ ብዕድመ ደፊኦም ዝተመረቑ ሰባት፡ ንምንታይ ትምህርቲ ናይ ዕድመ ልክዕ ምርጭኦም ገይሮም ከምዝወስድዎ ኣዘራሪብዎም ኣሎ። ብራዚል: 'ሕዚ እውን ዝሓሸ ማሕበረሰብ ንምፍጣር ክንሕግዝ ንኽእል ኢና' ኣንቶንያ ላንድግራፍ፡ ጓል 70 ዓመት ተምሃሪት እያ። እዛ ኣብ ማእከላይ ብራዚል እትነብር ጥሮተኛ ኣብ ማቶ ግሮሶ ዩኒቨርሲቲ ትመሃር። \"ቅድሚ 10 ዓመት ካብቲ ኣብ ባንኪ ብራዚል ዝነበረኒ ስራሕ ጥሮታ ምስወጻእኩ፡ ኣብ ገዛ ኮፍ ክብል ኣይከኣልኩን\" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ። \"በዓል ቤተይ ከብቲ እዩ ዘራብሕ፤ ክሕግዞ ከኣ ይደሊ። ግን ድማ ሓድሽ ነገራት ምምሃር ንኣእምሮይ ብስራሕ ክጽመድ ይሕግዘኒ። ስለዚ ኣብ መጀመርታ ጂኦግራፍን ኣካውንቲንግን ኣጽኒዐ\" ትብል። እዚ ቅድሚ 10 ዓመት እዩ። ድሕሪኡ ኣግሮኖሚክስ ምጽናዕ ቀጺላ። መጀመርታ ናብ ዩኒቨርሲቲ ንምእታው ትሓስብ ከምዘላ ንመሓዙታ ምስነገረቶም፡ ዓቢዳ እያ ኢሎም ሓሲቦም ነይሮም። \"ገሊኦም ግዘ ምጥፋእ እዩ ኢሎም፤ ኣነ ግን ንናተይ ትውልዲ ገና ዘበርክቶ ነገር ከምዘሎን ነቲ ማሕበረሰብ ነገራት ኣብ ምምሕያሽ ክሕግዙን ይኽእሉ እዮም ኢለ እየ ዝኣምን።\" \"ኣእምሮኻ ክፉት ምግባር እውን ናይ ጥዕና እዩ ኢለ እየ ዝኣምን። ሓድሽ ነገራት ንምምሃር ኣይደንጎየን።\" እንተኾነ ኣብ ናታ ዕደመ ናብ ክፍሊ ምእታው ቀሊል ነገር ኣይነበረን። ኣብቲ እትመሃረሉ ክፍሊ እታ ብዕድመ ዝዓበየት ምንባራ እውን ዘገርም የብሉን። \"ዋላ ካብ መምህራነይ እየ ዝዓቢ ነይረ፤ እዚ ናይ ቴክኖሎጂ ምዕባለታት'ውን ኣሎ። ሶፍትዌራትን መተግበሪታትን. . . እቲ ለበዳ ምስ መጸ ምስ ናይ ኦንላይን ትምህርቲ ተቓሊሰ- ገለ እዋን 'ሎግ ኢን' ምግባር እውን ዘደናግር እዩ ነይሩ\" ትብል። ኮይኑ ግና ንኹሉ ቀልጢፋ ለሚዳቶ፤ መራሕ-ቅዲ ንምዃን እውን በቒዓ። \"በቲ ዝሰርሖ ዘለኹን ገለ መሓዙተይ እውን ናብ ዩኒቨርሲቲ ክኣትዉ ብምውሳኖምን ይሕበን፤ ብዙሓት ክስዕቡ እውን ተስፋ ይገብር።\" ኣወስትራልያ: 'ትምህርቲ መንእሰይ እዩ ዝገብረካ' ጓል 88 ዓመት ሩት ዊልሰን፡ ኣብ ዛንታታት ብሪጣንያዊት ደራሲት ጄን ኦስትን ተመርኲሳ ናይ 3ይ ዲግሪ (ፒኤችዲ) ትምህርታ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሲድኒ ዛዚማ። እዚ ንዓኣ \"ዘደንቕ ተሞክሮን\" በዓል ብዙሕ ረብሓን እዩ ነይሩ። \"ትምህርቲ መንእሰይ እዩ ዝገብረካ\" ትብል ዶ\/ር ሩት። \"ብዙሓት ሓደሽቲ፣ ዘሐጉሱን ዘነቓቕሑን ነገራት ትመሃር፤ ልምድኻ ምስ ነባራዊ ዓለም ዝተኣሳሰረሎም መገዲታት ትረክብ። ንዓይ 20 ዓመት ካብ ዕድመይ ከም ምቕናስ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ።\" ኣዶ ኣርባዕተ ቖልዑ ዝኾነት ዶ\/ር ሩት፡ ሓሙሽተ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከቡ ደቂ ደቅን ሸሞንቲ ደቂ ደቂ ደቅን ኣለዉዋ። \"ደቀይ ብዘደንቕ የበረታትዑኒ ነይሮም፤ ኣነ ናብ ትምህርቲ ምምላሰይ ጽቡቕ ከምዝኾነ እዮም ሓሲቦም። ሓንቲ ጓለይ ፒኤችዲ ስለዝነበራ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ስርዓት ክፈልጥ ሓጊዛትኒ።\" \"ፒኤችዲ ዘለዋ ጓል ውላደይ እውን ኣላትኒ፤ መጽናዕታዊ ጽሑፈይ እንተዳሉ ኣብ ኣጠቓቕማ ኢንተርነት ሓጊዛትኒ።\" \"ንመወዳእታ ግዘ ትምህርቲ ዝተመረቕኩሉ 1979 ብምንባሩ ኩሉ ነገር ናዓይ ሓድሽ እዩ ነይሩ።\" ካናዳ: 'ታሪኻት ህይወት ሕዚ እውን ይጸሓፉ ኣለዉ' ጓል 70 ዓመት ሎዊዝ ካመንዝ፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ንምንታይ ናብ ዩኒቨርሲቲ ከምዝኸዱ ክትፈልጥ ትደሊ ነይራ፤ ሽዑ ባዕላ ክትፍትኖ ወሲና። ንሳ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ኣብ ካናዳ ካብ ዝርከብ ዮርክ ዩኒቨርሲቲ: ብትምህርቲ ንዓበይቲ ዶክትሬት ዲግሪ ረኺባ። ካብ ክሊ ዕድመ 50 ክሳብ 60 ኣብ ዝርከባ ሸውዓተ ኣንስቲ ብዝገበረቶ መጽናዕቲ፡ መብዛሕተአን ናብ ትምህርቲ ዝተመለሳሉ ምኽንያት ብኸፊል መንግስቲ: ዓበይቲ ብዘይ ክፍሊት ክመሃሩ ስለዝገበረ ምዃኑ ረኺባ። ንሎዊዝ ግን ካልእ ዘለዓዓላ ረቛሒ ነይሩ። \"ካብ ቤተሰበይ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዝኣተኹ ብሕታዊት ሰብ እየ። ብስርዓተ ትምህርቲ ኣቢልካ መገድኻ እትድህስሰሉ ስነ ሓሳብ ሓዱሽ እዩ ነይሩ\" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ። ኣብ ፋብሪካ ይሰርሑ ካብ ዝነበሩ ስደተኛታት ዝተወለደት ሎዊዝ፡ ስድራኣ ናይ ላዕለዋይ ብርኪ ትምህርታ ክሽፍኑላ ብዘይምኽኣሎም፡ ምስዓበየት እያ ነቲ ዕድል ረኺባቶ። ጓል ኣንስተይቲ ምዃና ንዓኣ እውን ነገራት ክኸብዱ ከምዝገበሮም ትገልጽ። ዕላማ ናይቲ ዘካየደቶ መጽናዕቲ፡ ነቲ ሰባት ምስ ዓበዩ ናብ ትምህርቲ ክኸዱ ኣይኽእሉን ወይ የብሎምን ዝብል ኣበሃህላ ንምስባር ከምዝኾነ እውን ትገልጽ። ኢንዶኔዥያ : 'ሐዚ እውን እንተኽኢልና፡ ፈጺምና ምምሃር ደው ክነብል ኣይግባእን' ወዲ 87 ዓመት ላ ኦዴ መሓመድ ሲዲቅ ኣብ ኢንዶኔዥያ ካብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ቡተን ቅድሚ ክልተ ዓመት ተመሪቑ። ንዕኡ ሕልሙ ዝተግሃደሉ እዋን እዩ። ሐዚ እውን ግን ትምህርቲ ክቕጽል ድልየት ኣለዎ። ኩሉ ሻብ ናብ ዩኒቨርሲቲ ክኣቱ ድልየት ዝነበሮ እቲ መምህር ነበር፡ ንትሸዓቱ ደቁ ክቕልብ ክብል ግን ነቲ ሕልሙ ንጎኒ ገዲፍዎ ጸኒሑ። ኣብ 2012 ግና እቲ ዓቢ ወዱ ናብ ኮሌጅ ክኣቱ ደፋፊእዎ። ወዲ 78 ዓመት ምስኮነ ትምህርቲ ጀሚሩ፤ ኮይኑ ግና ክልተ ዓመት ምስተምሃረ ሓሚሙ። \"ንሓደ ዓመትን ፈረቓን ሓሚመ፤ ናይ ፕሮስቴት መጥባሕቲ እውን ገይረ\" ክብል ላ ኦዲ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። እንተኾነ ተስፋ ዝቖርጽ ኣይነበረን፤ ቤተሰቡ እውን ሓጊዞምዎ። ኣብ መዓልቲ ምረቕኡ ሓቢራቶ ዝተረኸበረት ላላ ዝተብሃለት ጓል ውላዱ፡ ላ ኦዲ ወላ ሓንቲ መዓልቲ ኣማሪሩ ከምዘይፈልጥ ተዛሪባ። \"ኩሉሻብ እዩ ናብ ትምህርቲ ዝኸይድ፡ ዋላ ሓደ ሓደ ግዜ እንተሓመመ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ኩሉሻብ ክኸይድ ይፍትን\" ኢላ። ላ ኦዲ ተምሃራዩ ዝነበረ መምህር ዩኒቨርሲቲ መመረቒ ጽሑፉ እናሓገዞ ድሕሪ ሸውዓተ ዓመታት ቀዳማይ ዲግሪኡ ረኺቡ። \"ኣዝየ እየ ዘመስግኖም፤ ጸቡቓት ሰባት ክኾኑ ምሂረዮም እየ። ሐዚ ድማ እቲ ፍልጠት መሊሶም ኣረኪቦምኒ።\" \"ክሳብ ዝኸኣልና ፈጺምና ምምሃር ጠጠው ክነብል የብልናን። ግዘን ገንዘብን እንተረኺበ፡ ሐዚ እውን ማስተርስ ክመሃር እደሊ\" ኢሉ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60056124"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ውጥን ምጅማር ትምህርትን ሻቕሎት ወለድን","content":"ንዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ ብሰንኪ ኲናት ተዓጽየን ዝጸንሐ ኣብያተ ትምህርቲ መቐለ ክኽፋታ ከምዝጀመራ ቢሮ ትምህርቲ ግዝያዊ ምምሕዳር'ቲ ክልል ኣፍሊጡ። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ወለዲ ግና፡ ደቆም ናብ ትምህርቲ ክሰዱ ከምዝሰግኡ ይዛረቡ። ኣስታት 30 ዝኾና መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርትን ልዕሊ 30 ዝኾና ናይ ውልቀ ኣብያተ ትምህርትን ንተምሃሮ ክፍቲ ኮይነን ከምዘለዋ፡ ምክትል ሓላፊት እቲ ቢሮ ኢንጂነር ኣስቴር ይትባረክ ንቢቢሲ ገሊጻ። እንተኾነ እቶም ኣብያተ ትምህርቲ ይከፈቱ 'ምበር ናብተን ኣብያተ ትምህርቲ ዝውሕዙ ቁጽሪ ተምሃሮ ውሑድ ምዃኑ ኢንጂነር ኣስቴር ብስልኪ ንቢቢሲ ወሲኻ ሓቢራ። \"ሓደ ብኮቪድ ምኽንያት ተሪፎም እዮም፤ ካልኣይ ድማ በቲ ዝተፈጥረ ጸገም ምኽንያት ኣብ ትግራይ ስግኣትን ናይ ሰላም ሽግርን ስለዝነበረ ወለዲ ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ክሰዱ ኩነታት ኣይፈቐደሎምን ነይሩ\" ትብል። ኣብቲ ክልል ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ፡ ሓያል ቅልውላው ጸጥታ ዘጋጠመ እንትኸውን፡ ኣብዝሓ ኣብያተ ትምህርታትን ማእከላት ጥዕናን ዓንየንን ተዘሚተንን ከምዝኾና ጸብጻባት ትካላት ሰብኣዊ መሰላት የመልክቱ። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ፡ ተወሳኺ ሓገዝ እንተዘይበጺሑ፡ ህዝቢ እቲ ክልል ንሓያል ጥሜትን ጸገምን ክቃላዕ ከምዝኽእል'ውን ኣብዚ ሰሙን ስግኣቱ ገሊጹ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ልዕሊ 90 ሚኢታዊት ህዝቢ ትግራይ ተጸባዪ ህጹጽ ረድኤት ኮይኑ ከምዘሎ ትካል ምግቢ ዓለም ምግላጹ ድማ ዝዝከር እዩ። ብሰንኪ እቲ ጎንጺ ዛጊድ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣስታት ክልተ ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ኾይኖም፡ ኣብዝሓ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓቂቦም ከምዝርከቡ እዩ ዝዝረብ። እቲ ቢሮ ካልእ'ኸ እንታይ ኢሉ? ኢንጂነር ኣስቴር፡ ኩነታት ጸጥታን ሰላምን እቲ ክልል ከምቲ ዝጸንሐ ከምዘይኮነን ተማሕይሹ ከምዘሎን፤ ስለዝኾነ ድማ፡ ወለዲ ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ክሰዱ ከምዘለዎምን ወሲኻ ተዛሪባ። ካብ ከተማ መቐለ ኣብዝሓ ኣብያተ ትምህርቲ ተኸፊተን ከምዘለዋ እትዛረብ እታ ሓላፊት፡ እቲ ቢሮ ግና ኣብ መላእ'ቲ ክልል ትምህርቲ ንክጅመር መምርሒ ከምዘውረደ እያ ትገልጽ። \"እቲ መምርሒ ዝወረደ፡ ትምህርቲ ኣብ መላእ ትግራይ ይጀመር ዝብል እዩ። ንኣብነት ኣብ ማይጨው፣ መኾኒ፣ ኣብ ወረዳ ደቡብ ምብራቕ ድማ፡ ኣብ ዓዲ ጉደም ካልኦት ከኣ ልዕሊ 20 ኣብያተ ትምህርቲ ዝጀመራ ኣለዋ\" ኢላ። ኢንጂነር ኣስቴር፡ ኣብ መቐለ ድማ ዳርጋ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ተኸፊተን ከምዘለዋ እንተኾነ ተምሃሮ እናተንጠባጠቡ ከምዝመጽኡ ገሊጻ፤ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ክሳብ 10፤ 20 ጥራይ ከምዝመጽኡ እያ ተዛሪባ። ኢንጂነር ኣስቴር፡ ኣብ ቀረባ እዋን ክዛዘም ይኽእል እዩ ዝበለቶ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ይስራሕ ከምዘሎን ናብኡ ከምዘግዕዙን፡ ካልኦት ዝተረፋ ግና ነጻ ከምዝኾናን ተዛሪባ። ስነ ኣእምሮ፡ ናይቶም ተምሃሮ ንምርግጋዕ ድማ ገለ መምህራን ከምዝተዳለውን፡ እቲ ትምህርቲ'ውን ብዘየጨናንቕ መልክዑ ክቐርበሎም ከምዝተዳለወን ተዛሪባ። እተን ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝዓነዋ ኣብያተ ትምህርቲ ንምጽጋን ልዕሊ 85 ሚልዮን ብር ብመንግስቲ ፌዴራል ተዳልዩ ይስረሐሉ፡ ከምዘሎ'ውን ተዛሪባ። ንኣብነት ቤት ትምህርቲ ሃጸይ ዮውሃንስ ራብዓይ፡ ወተሃደራት ሰፊሮምዎ ከምዝነበሩ፤ ሕዚ ግን ተጸራሪጉን ተጸጊኑን ንትምህርቲ ድልው ከምዝኾነ ወሲኻ ሓቢራ። ጊዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል፡ ኩነታት ጸጥታ እቲ ክልል ተማሕይሹ እዩ እንተበለ'ኳ፡ ገለ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ወለዲ ግን ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ንምስዳድ ድልዋት ከምዘይኮኑ እዮም ዝገልጹ። ካብ ከተማ ኣክሱም ዘዘራረብናዮ ሓደ ወላዲ፡ \"ኣነ ብወገነይ ደቀይ ናብ ቤት ትምህርቲ ክሰድድ ኣይከእልን። እቶም ደቀይ ዝመሃርሉ ቤት ትምህርቲ ብተፈናቐልቲ እዩ ተመሊኡ ዘሎ። እቲ ጸጥታ ድማ ውሑስ ኣይኮነን፤ ኣብ መገዲ እንታይ ከምዘጋጥሞም ኣይፍለጥን። ብሱሩ ንዓርሱ እቲ ህዝቢ ውሕስና የብሉን። ጸጥታ ዝበሃል የለን። እቲ ጸጥታን ፖለቲካዊ ኩነታትን ኣብዘይተረጋገአሉ ኩነታት ካልእ ማሕበራዊ ምንቅስቓሳት ምክያድ ካልእ ሳዕቤን እዩ ከምጽእ\" ኢሉ። መምህራን ድማ ፎቖድኡ ተሰዲዶም ናብ ምድብ ቦቶኦም ከምዘይተመልሱ እዩ ዝዛረብ። እቲ ሕበረተሰብ'ውን ፎቖድኡ ተሰዲዱ ከምዘሎን፡ ናብ መንበሪኡ ከይተመልሰ ትምህርቲ ምጅማር ዘይሕሰብ ምዃኑ ይዛረብ። \"ትምህርቲ ኣእምሮኻ ቀሲንካ ዝግበር ምበር ብተብተብ ዝካየድ ኣይኮነን፤ ደቀይ ናብ ቤት ትምህርቲ ወፊሮም ዘይክምለሱ'ውን ስለዝኽእሉ ክሰዶም ኣይክእልን\" ድማ ኢሉ። ካብ መቐለ ዘዛረብናየን ካልእ ወላዲት ድማ፡ ትምህርቲ ተጀሚሩ ዝብል ወረ ከምዝሰምዓ ነገር ግን ዛጊድ ደቀን ከምዘይሰደዳ ይዛረባ። ካልእ ሰብ'ውን ደቁ ናብ ቤት ትምህርቲ ክሰድድ እዩ ዝብል እምነት የብለንን። ካልእ ተወላዲ ዞባ ማእኸል ትግራይ ድማ 'ኣብዚ ሕዚ እዋን ምምሃር ምስትምሃር ዘይሕለም ነገር እዩ' ይብል፤ ንሱ ብጽንጽንታ ዝሰማዕኽዎ ዝበሎ፡ እቶም ተመዛበልቲ ካብ ቤት ትምህርቲ ንምውጻእ ከምዝተሓስበ እዩ። ኣብ ውሽጢ'ቲ ሕብረተሰብ 'መራሒ ዘይብልና ተሪፍና' ዝብል ስክፍታ ከምዘሎ'ውን ተዛሪቡ። ሁማንራይትስ ዎች፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጸኦ ሰፊሕ ጸብጻብ፡ ኣብዝሓ ኣብያተ ትምህርቲ'ቲ ክልል 'ተዘሚተንን ዓንየንን' ናብ ወተሃደራዊ መዓስክራትን መዕቖቢ ተመዛበልትን ተቐይረን ከምዘለዋ ኣብሪሁ። ሓላፊት ቢሮ ምብራቕ ኣፍሪቃ እቲ ትካል፡ ለቲሽያ ባደር ኣብ መግለጺኣ፡ \"ኣብያተ ተምህርቲ'ቲ ክልል ምጉዳእን ምዕናውን: ዕድል መጻኢ ወለዶ እቲ ህዝቢ ከም ምጉዳእ እዩ ዝቑጸር\" ኢላ ነይራ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57395757"} {"headline":"ዩክረይን፡ ኣፍሪቃውያንን ህንዳውያንን ተማሃሮ ስለምንታይ ብብዝሒ ይመርጽዋ?","content":"ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን፡ ኣሽሓት ወጻእተኛታት ተማሃሮ ካብ ኣፍሪቃ፡ ኤስያን ማእከላይ ምብራቕን ዝርከብዎ ፍልሰት ሰባት የስዕብ ኣሎ። ብመሰረት መንግስታዊ ሓበሬታ፡ ኣብ ዩክረይን፡ ልዕሊ 76,000 ወጻእተኛታት ተማሃሮ ኣለው። ዳርጋ ሓደ ርብዒ ካብዞም ተማሃሮ ካብ ኣፍሪቃ እዮም፣ መብዛሕትኦም ከኣ ካብ ናይጀርያ፡ ሞሮኮን ግብጽን እዮም። ልዕሊ 20 ሽሕ ተማሃሮ ዝሰደደት ህንዲ፡ ካብ ኤስያውያን ነቲ ዝበዝሐ ቍጽሪ ትሽፍን ። እዞም ወጻእተኛታት ተማሃሮ መብዛሕትኦም ኣብ ዓውድታት ሕክምና፡ ምህንድስናን ቢዝነስን ዘጽንዑ ኰይኖም፡ ኣብ ቍጠባ ዩክረይን ኣገዳሲ እጃም ኣለዎም። እንተዀነ፡ ሩስያ፡ ካብ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ነቲ ዝዓበየ ወራር ክትቅስቅስ ከላ፡ ኣሽሓት ካብኣቶም ክሃድሙ ጀሚሮም፡ ብዙሓት ድማ ኣብኡ ተዓጊቶም ኣለው። መጻኢ ኵነታት ትምህርቶም ድማ ርግጸኛታት ኣይኰኑን። ምስጢር ሰሓብነት ዩክረይን ኣብ ትምህርቲ እንታይ እዩ? ዩክረይን፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚራ ንወጻእተኛታት ተማሃሮ ሰሓቢት ኰይና ጸኒሓ እያ። እዚ ስሕበት ተማሃሮ፡ ድሕሪት ምልስ ኢልካ፡ ኣብቲ ሕብረት ሶቭየት ኣብ ላዕለዋይ ትምህርቲ ገዚፍ ወፍሪ ትገብረሉ ዝነበረትን፡ ንተመሃሮ እተን ሓደስቲ ናጻ ዝወጻ ዝነበራ ሃገራት [ሳልሳይ ዓለም] ክትምስጥ ትጽዕረሉ ዝነበረትን እዋን ክርአ ይከኣል እዩ። ኣብ ዘመነ ሕብረተ ሶቭየት ነበር፡ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ዝርከብዎም ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ተመሃሮ፡ ዕድል ማህደረ ትምህርቲ ይረኽቡ ምንባሮም ከም ኣብነት ክጥቀስ ዝኽእል እዩ። ኣብዚ እዋን ከኣ፡ ዩኒቨርሲታት ዩክረይን ከም መእተዊ ኣፍደገ ናብቲ ሰፊሕ ዕዳጋ ስራሕ ዝርከበሉ ምዕራብ ኤውሮጳ ይርእያ ኣለዋ። ዝሓታኦ ክፍሊት ርትዓዊ ኰይኑ፡ መእተዊ ቪዛን መንበሪ ፍቓድን ንምርካብ'ውን ምቹኣት ስለዝዀና ተመረጽቲ እየን። \"ኣብዘን ዩኒቨርሲቲታት ዩክረይን ዝወሃብ ዲግሪ ሰፊሕ ተቐባልነት ዘለዎ እዩ፣ እቲ ትምህርቲ'ውን ብቐንዱ ደረጃኡ ዝሓለወ እዩ\" ንዩክረይን ክምሃሩ ናይ ዝደልዩ ምዕራብ ኣፍሪቃውያን ተመሃሮ ኣሳላጢ ትካል ዝሰርሕ፡ ፓትሪክ ኢሱጉኑም፡ ይገልጽ። \"ጽቡቕ ደረጃ ዘለዎ መምሃሪ መሳርሒታት ሕክምና ስለዘሎ፡ ብፍላይ ተመሃሮ ሕክምና ይመርጽዎ እዮም፡\" ይውስኽ ፓትሪክ። ኣብ ከተማ ዲኒፕሮ ዝመሃር ዝነበረ ደዝሞንድ ቺናዛ ሞኩዶ ዝተባህለ ወዲ 30 ዓመት ናይጀርያዊ ተመሃራይ፡ ዩክረይን ክመሃር ዝመረጸሉ ምኽንያት ክገልጽ እንከሎ፡ \"ምስ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ብምንጽጻር፡ በቲ ዘለወን ምቹእ ቅጥዕትታት መመዝገቢን፡ ሕሱር መነባብሮን እዩ\" ይብል። ንሱ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ 'ቀረጽን ፋይናንስን' ቅድሚ ገለ ሰለስተ ኣዋርሕ'ዩ ትምህርቱ ጀሚሩ። መብዛሕትኡ ትምህርቲ ብእንግሊዘኛ እዩ ዝወሃብ፣ እንተዀነ ትምህርቲ ቅድሚ ምጅማሩ፡ መባእታዊ ቋንቋ ዩክረይን ኣጽኒዑ እዩ። \"ኣብ ናይጀርያ ለሓማይ እየ ነይረ። ነገራት ብግቡእ ክዓምም ምእንቲ ግን ትምህርቲ የድልየኒ፣ ዩክረይን ከኣ እታ ዝበለጸት ምርጫ እያ ነይራ ንኣይ\" ክብል ካብቲ ሃዲሙ ተዓቝብሉ ዘሎ ፖላንድ ንቢቢሲ ቃል ሂቡ። እዞም ተመሃሮ ሕጂ ናበይ ኣበሉ? ብመሰረት ጸብጻብ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ልዕሊ 10 ሽሕ፡ ኣብ ዩክረይን ዝጸንሑ ኣፍሪቃውያን ተመሃሮ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክሃድሙ ክኢሎም ኣለው። እንተዀነ እዞም ተመሃሮ ኣብ ዶባት ዝተፈላለያ ሃገራት ዓሌታዊ ኣድልዎ ይገጥሞም ከም ዘሎ ዝሕብሩ ጸብጻባት ይወጽኡ ኣለው። ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዝርግሑ ዘለው ኣሳእል ከም ዘርእይዎ'ውን፡ ሰበስልጣን ዩክረይን ዶብ ንኸይሰግሩ ይኽልክልዎም ከም ዘለው እዩ። ናይጀርያዊት ተመሃሪት ኣብ ዩክረይን፡ \"ጸሊም እንተዄንካ ብእግርኻ ክትከይድ እዩ ዘለካ ኢሎምና\" ትብል። ልክዕ ቍጽሪ ንምርግጋጹ ገና'ኳ እንተዘይተኻእለ፡ ኣማኢት ተመሃሮ ገና ኣብ ዩክረይን ከም ዘለው እዩ ዝግመት። ሓደ ህንዳዊ ተመሃራይ፡ ኣስቤዛ ክገብር ኢሉ ምስ ወጽአ ከም እተቐትለ ተፈሊጡ ኣሎ። ሓደ ተመሃራይ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ ቅድሚ እዚ ኵነታት ምኽሳቱ፡ ትምህርቲ ናብ 'ኦንላይን' ክቕየረሎም ይሓቱ ከም ዝነበሩን፡ እተን ዩኒቨርሲታት ግን ከም ዝነጸጋኦም እዩ። \"እታ ዩኒቨርሲቲ ነቲ ሕቶን ነቲ ኵነታትን ሸለል ኢላቶ\" ሜሪ ዝተባህለት፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዩክረይን ብዓውዲ ሕክምና ናይ መወዳእታ ዓመት ትምህርታ ተጽነዕ ዝነበረት ናይጀርያዊት ትገልጽ። ንሳ ከም ዝበለቶ፡ ንምምሕዳር ዩኒቨርሲቲ ኣቐዲሞም ንኽወጽኡ ከም ዝሓተቱን ከም ዝተነጽጉን እዩ። ብኢደ ዋኒኖም ካብ ትምህርቲ እንተበዂሮም፡ ብመሰረት ገለ ዩኒቨርሲታት ዩክረይን ዝኽተልኦ መምርሒ፡ ብገንዘብ ከምዝቕጽዑን እዩ መጠንቀቕታ በጺሕዎም። \"ስለዚ ምርጫ ኣይነበረናን\" ትብል። ሜሪ፡ ኣብታ ኣብ ዶብ ዩክረይን እትርከብ ንመጥቃዕቲ ዝተቓልዐት ከተማ ገና ተዓጊታ ኣላ። ናብ ዩክረይን ዝመጻእና ትምህርቲ ደሊና እምበር ንኸምዚ ዓይነት መከራን ሽግርን ኣይኰነን ከኣ ትብል። ንሳን መሓዙታን ብስእነት መግቢ ተሸጊረን ኣለዋ፣ ከይወጽኣ ድማ ውሕስነት የለን። እቲ ትመሃረሉ ዩኒቨርሲቲ፡ ሩስያ ከተጥቅዕ እያ ዝብል እምነት ፈጺሙ 'ኳ እንተዘይነበሮ፡ 'ተመሃሮ፡ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምጅማሩ ካብታ ሃገር ንኽወጽኡ ንዘቕረብዎ ሕቶ ኣይተቐበሎን' ዝብል ዘረባ ግን ነጺግዎ'ሎ። ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ምጅማር 'ቲ ኲናት ድማ ትምህርቲ፡ ናብ ኦንላይን ከም ዘሰጋገሮ ሓቢሩ። ክሪስቶፈር ዝተባህለ ወዲ 22 ዓመት ካሜሩናዊ ተመሃራይ፡ ካብታ ድሮ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ሩስያ ኣትያ ዘላ ደቡባዊት ከተማ ኬርሶን፡ ካብ ተሓቢኡሉ ዘሎ ስፍራ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ \"ንህይወትና ስለንሰግእ ክንወጽእ ኣይከኣልናን\" ይብል። ንሱ ከም ዝበሎ፡ ምስ ካልኦት 20 ዝዀኑ ብጾቱ፡ ሰሙን ምሉእ መብራህቲ ኣብ ዘይብሉ መዕቈቢ ትሕቲ ምድሪ፡ ድምጺ ተዅስን መዳፍዕን ጥራይ እናሰምዑ ኣሕሊፎምዎ። ዳርጋ ከምዚ ዝባደመት ከተማ እያ፡ ኣብ ደገ ተወዝ ዝብል ሰብ ፈጺሙ ኣይርአን። ክሪስቶፈር ዝዀነ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ዝወርድ ግህሰት ብዓይኑ ከምዘይረኣ፣ እቲ ዝሓሸ ግን ተሓቢእካ ምጽናሕ ምዃኑ ኣስሚሩሉ። \"ኣብዚ እዋን እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ፡ ባዕልኻ ነብስኻ ኣብ ሓደጋ ዘይምእታው እዩ\" \"ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ጉዳይ ትምህርቲ ከመይ ከም ዝኸውን ክግመት ኣጸጋሚ እዩ\" ይብል። ማማዲ ዶምብያ፡ ዝተባህለ ተመሃራይ ኮምፒዩተር ሳይንስ ዘጽንዕ ዘሎ ወዲ ጊኒ፡ \"ዓደይ ክምለስ እየ ዝደሊ፡ ኣብ ኲናት ኴንካ ክትመሃር ኣይከኣልን እዩ\" ይብል ንቢቢሲ፡ ምስቶም ኣብ ጸልማት ምስኡ ዘለው ደቂ ጋቦን፡ ሰኔጋልን ካሜሩንን ኰይኑ። \"መብራህቲ የለ፣ ማይ የለ\" ይውስኽ። ግደ መንግስታት እንታይ እዩ ዘሎ? ዩክረይን፡ ኲናት ጅምር ኣብ ዘበለሉ ዕለት 24 ለካቲት፡ ብኡንብኡ እያ ሲቪላዊ በረራታት ደው ኣቢላ። መንግስታት ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባ ዜጋታተን ካብታ ሃገር ንምውጻእ ዝተፈላለየ ኣተሓሕዛ እዩ ዘለወን፣ ገሊአን በረራታት ኣወሃሂደን ነቶም ዶብ ዝሰገሩ ዜጋታተን ንዓዶም ክመልሳ ይርኣያ ኣለዋ። ጋና እታ ቀዳመይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ዜጋታታ ዝተቐበለት ኣፍሪቃዊት ሃገር እያ። ጃረድ ኦቱምፎ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ጋና ምስ በጽሐ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቓል፡ \"ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ዓደይ ክምለስ ይኽእል እየ ዝብል ተስፋ ኣይነበረንን፣ ሕጂ ግን ብደሓን መጺአ፡ ሕጕስ ድማ እየ\" ኢሉ። ናይጀርያ እውን ነቶም ብመገዲ ሩማንያ፡ ሃንጋርን ፖላንድን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ዜጋታታ ነፈርቲ ክትልኽ ምዃና ኣፍሊጣ'ላ። ኣምባሳደር ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዩክረይን፡ ንድሕነቱ ካብታ ሃገር ክወጽእ ከም ዝግባኦ፣ እንተዀነ ምእንቲ ድሕነት ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦት ወጻእተኛታትን፡ ካብ ዩክረይን ዝወጽኡሉ ውሑስ መገዲ ንምጥጣሕ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ምህላው ንቢቢሲ ሓቢሩ። ኣምባሳደራት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ፖላንድን ሃንጋርን ክልቲኦም፡ ናብቲ ምስ ዩክረይን ዘዳውብ ከባቢታት ብምኻድ ዜጋታቶም ንምሕጋዝ ዝከኣሎም ጻዕርታት ይገብሩ ከም ዘለው ተፈሊጡ'ሎ። ገለ ስድራቤታት ሞሮኮ'ውን፡ ካብ ዩክረይን ሃዲሞም ንዝተመልሱ ተመሃሮአን ዝሓለፈ፡ ረቡዕ ተቐቢለን ኣለዋ። ብመሰረት ሓበሬታ ምኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ዩክረይን፡ መንግስቲ 'ታ ሃገር፡ ንኣፍሪቃውያንን ኤስያውያንን ዝገልግል ህጹጽ መስመራት ተሌፎን ዘርጊሑ'ሎ። \"ሰበስልጣን ዩክረይን፡ ኣፍሪቃውያንን ኤስያውያንን ዝወጽኡሉ ውሑስ መገዲ ንምጥጣሕ ኣበርቲዖም ይሰርሑ ኣለው፡\" ይብል መልእክቲ ትዊተር ድሚትሮ ኩሌባ። ትምህርቲ ክቕጽል ይኽእል ዶ ይኸውን? ሓያለ ካብቶም ንኽመሃሩ ኢሎም ብዙሕ ገንዘብ ዘፍሰሱ ተመሃሮ፡ ኣብ መንጐ ንዓድኻ ምምላስን ኣብ ኤውሮጳ ጸኒሕካ ዕላማ ትምህርትኻ ምፍጻምን ዝብል ሓሳብ ተቐርቂሮም ከም ዘለው፡ ንቢቢሲ ይገልጹ። ጀሲካ ኦራክፖ፡ ኣብ ሃገራዊ ዩኒቨርሲቲ ሕክምና ተርኖፒል ተመሃሪት ሻድሻይ ዓመት ዓውዲ ሕክምና፡ ንኽትምረቕ ገለ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጥራይ እዩ ተሪፍዋ ነይሩ። \"ተዓኒደ እየ ዘለኹ፡ ዝዀነ ክገብር ኣይከኣልኩን፡ ኵሉ ሰነዳት ትምህርተይ ኣብኡ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ እዩ ዘሎ፡\" ክትብል ናብ ሃንጋሪ ቡዳፔስት ገጻ ኣብ ትሃድመሉ ዝነበረት ኣጋጣሚ ንቢቢሲ ሓቢራ። \"ንድሕሪት ተመሊሰ ከም ብሓድሽ ዝጅምረሉ ምኽንያት የብለይን፡ ናይ ዝተመሃርኩሉ ዲግሪ ጥራይ እየ ዝደሊ ሕጂ፣ ምናልባት ኣብ ካልእ ማስተርስ ክገብር ይኸውን።\" ወጻእተኛታት ተመሃሮ ዩክረይን፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝጸንሑሉ ግዜ ዘገልግል መንበሪ ፍቓድ ይወሃቦም እዩ። እዚ ግን ኣብ ካልኦት ጐረባብቲ ሃገራት ዘገልግል ኣይኰነን። ሙኩዶ ፡ ኵሉ ነገራት እንተፈሺሉ፡ ትምህርቱ ኣብ ዝዀነ ካልእ ሃገር ኤውሮጳ ክቕጽሎ ከም ዝደሊ እዩ ዝገልጽ። \"ምናልባት ኵነታት እንተ ተመሓየሸ ኣብዚ ክጸንሕ እየ፣ ንናይጀርያ ምምላስ ኣማራጺ ኣይኰነን፡\" ይብል።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60629477"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ተምሃሮ ነቀምቴ ንናይ ቀደም መምህሮም ሽልማት መኪና ኣበርኪቶም","content":"ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ነቀምቴ፡ ተምሃሮ እንከለዉ ናይ ሒሳብ [ቁጽሪ] መምህሮም ንዝነበረ መምህር \"ንናትና ወለዶ ንዝገበርካዮ ውዕለት\" ኢሎም 750 ሽሕ ዋጋኣ መኪና ከምዝሸለምዎ ተገሊጹ። እቶም ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ዝነበሩ ናይ ቀደም ተምሃሮ፡ ናይ ሒሳብ መምህሮም ንዝነበረ ኣቤል ቡልቻ ካብ ዘለዎም ክብርን ፍቅርን ብተወሳኺ ነቲ ዝገበረሎም ውዕለት ብቐዋምነት ንምዝካር ስለዝደለዩ እዮም ነታ መኪና ገዚኦም ከምዘበርከቱሉ ዝዛረቡ። እቶም ነዚ ሸልማት ዘዳለዉ ተምህሮ ብቑጽሪ ሓደ ሚኢቲ ዝኾኑ እዮም። ኣቶ ኣቤል ቡልቻ ኣብ ከተማ ነቀምቴ ኣብ ዝርከባ ሰለስተ ካልኣይ ብርኪ [ካልኣይ ደረጃ] ኣብያተ ትምህርቲ ምሂሩ እዩ። ብተወሳኺ ተምሃሮ ንምሕጋዝ ኣብ ገዝኡ ይምህር ከምዝነበረ ተምሃሮኡ ይዛረቡ። ነቶም ናይ ቀደም ተምሃሮ ኣተሓባቢሩ ነቲ ሽልማት ዘዳለወ ብዙሃን ተሾመ ብወገኑ፡ መምህር ኣቤል \"መጻኢ ህይወትና ዕዉት ክኸውን\" ዓብዪ ተራ ተጻዊቱ እዩ ይብል። ካብ ተምሃሮ መምህር ኣቤል ዝነበረ ብዙሃን፡ ብካኒካዊ ምህንድስና ተመሪቑ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ይሰርሕ ኣሎ። ንሱ ከምዝብሎ፡ መምህር ኣቤል ትምህርቲ ቁጽሪ ክፈልጡ ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ህይወቶም ኣዛሚዱ ክፈትውዎን ክርድእዎን ከምዝገበሮም ይገልጽ። ክእለት እቲ መምህር ክገልጽ እንከሎ ድማ ንትምህርቲ ሒሳብ ከም ተዋጋኢት ላሕሚ ክትሃድሞ ዘይኮነስ ከም ጽቡቕ መሓዛኻ ክትፈትዎ ዝገብር እዩ ክብል ይንእዶ። መትከላት ሒሳብ ክርድኡ ከምኡ እውን ን 20 ዓመታት ዝተውሃቡ ናይ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ፈተናታት ብናይ ባዕሉ ድልየት ኣኪቡ ኣብ ገዝኡ ንተምሃሮኡ የረድእ ከምዝነበረ እውን ይዝክር። \"መብዛሕቴና ንትምህርቲ ብፍላይ ንቁጽርን ሳይንስን ዘለና ፍቕሪ ከም ዝውስኽ ገይሩ።\" ብዙሃን ከምዝብሎ መምህር ኣቤል ካብ ቤት ትምህርቲ ወጻኢ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ገዝኡ ተምሃሮ ብትምህርቲ ሒሳብ ይሃንጾም ነይሩ። ካብ ምምሃር ብተወሳኺ \"ብውልቁ ተምሃሮ ዝመክርን ከም ኣቦ ዝመርሕን፡ ብዝተፈለየ ፍቕሪ ዘዕበየና ኮይኑ ኩሎም ተምሃሮ ብፍሉይ ይፈትውዎ\" እውን ይብል። መምህር ኣቤል ትምህርቲ ቁጽሪ ብዋዛን ናይ ህይወት ተጓንፎን እናዘናጋዐ እዩ ዝምህር። \"ትምህርቲ ሒሳብ ከመይ ምስ ህይወት ዝተተሓሓዘ ከምዝኾነ እናርኣየ ምምሃሩ ፍሉይ ይገብሮ\" ክብል ይገልጾ እቲ ናይ ቀደም ተምሃራዩ። እዚ ውጽኢታዊ ክኾኑ ከምዝገበሮም ዝገልጽ ብዙሃን፡ ከም ሃገር እውን ብምኽንያት እቲ መምህር ተምሃሮ ከተማ ነቀምቴ ዝሓሸ ውጽኢት ከመዝግቡ ከምዝገበሮም ይዛረብ። \"ቅድሚ ሕጂ ትምህርቲ ሒሳብ፡ ቁጽሪ ጥራይ እዩ ዝመስለና ነይሩ። ኮይኑ ግና ምስ ናትና ህይወት ዝተኣሳሰረ ከምዝኾነ ምስ ናይ ህይወት ተሞክሮና ኣዛሚዱ ከም እንርዳእ ገይሩና።\" መምህራን ተምሃሮ ምስ ፊደላት ኣላልዮምን ኣምሂሮምን ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ክበጽሑ ኩሉሻብ ይደኽሙ። እንተኾነ እቲ ኣበርክቶኦም ብዙሕ ኣቓልቦ ክወሃቦ ኣይረኣይን። እቶም ናይ ቀደም ተምሃሮ ነቲ ሽልማት ንመምህሮም ዘበርከቱሉ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት እኳ እንተኾነ፡ ንውዕለት እቲ መምህር ግን ኩሉሻብ ይዝክርዎ ከምዝነበሩ ብዙሃን ተዛሪቡ። እቲ ሽልማት ምስ ኣበርክቶ እቲ መምህር እንክነጻጸር ድማ ኣዝዩ ዝነኣሰ እዩ ይብል። መምህር ኣቤል ኣብ ከባቢ መቱ እዩ ሞያ መምህርነት ጀሚሩ። ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመታት ድማ ናብ ከተማ ነቀምቴ መጺኡ። ናብ ነቀምቴ ምስ መጸአ ናይ ካልኣይ ደረጃ መዛዘሚ ፈተና ካብ ዝወሰዱ ተምሃሮ ክልተ ጥራይ ልዑል ነጥቢ ኣምጺኦም ብምርኣዩ ፡ ኣዝዩ ከምዘሕዘኖ ይዝክር። ኣብቲ እዋን ርእሰ መመህር ናይታ ቤት ትምህርቲ ዝነበሩ መምህር፡ ነቶም መንእሰያት መምህራን ኣኪቦም ከምዘማኸርዎም እውን ይገልጽ። ኣቶ አቤልን መሳርሕቱን ናይቶም ተምሃሮ ውጽኢት ንምምሕያሽ ጽዒሮም፤ እቶም ተምሃሮ እውን ኣየሕፈርዎምን። ጥሮታ ንምውጻእ ተቓሪቡ ዘሎ ወዲ 58 ዓመት መምህር ኣቤል፡ እቲ ሽልማት ዘይተጸበዮ ከምዝኾነ ብምግላጽ \"ኣነ ካብቲ እቶም ተምሃሮ ዘበርከቱለይ ህያብ ንላዕሊ፡ ገሊኦም ደኳትር፥ ገለ ፓይለትን መሃንድሳትን ኮይኖም ምርኣየይ የሐጉሰኒ። ትወልዲ ብትምህርቲ ብቑዕ ክኸውን ካብ ምግባር ንላዕሊ ዘሐጉስ ነገር የለን\" ኢሉ። ኣብዚ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓደ ናይ ውልቀ ቤት ትምህርቲ ሒሳብ እናምሀረ ዝርከብ መምህር ኣቤል፡ ቅድሚ ሕጂ መኪና ኣይነበሮን ጥራሕ ዘይኮነስ \"ክህልወኒ እያ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን'የ\" ይብል። \"ብናይ መምህር ደሞዝ መኪና ምግዛእ ዝሕሰብ ስለዘይኮነ፡ መዘወሪ ፍቓድ ከውጽእ እውን ሓሲበ ኣይፈልጥን።\" ብዙሃን ብወገኑ እዚ ሽልማት ንመምህር ኣቤል እኳ እንተተውሃበ፡ ብሓፈሻ ግን ትውልዲ ኣብ ምህናጽ ዋጋ ንዝኸፈሉ መምህራን ነቀምቴ ብምውካል ከምዝወሰደ እዩ ዝሕሰብ ኢሉ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59678819"} {"headline":"ኣብ ሩስያ ሓደ ዕጡቕ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብዝኸፈቶ ተኹሲ ብውሑድ 6 ሰባት ቀቲሉ","content":"ኣብ ሩስያ ከተማ ፐርም ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሓደ ዕጡቕ ብዝኸፈቶ ተኹሲ ብውሑድ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝቐተለ ሰብመዚ ገሊጾም፡፡ እቲ ዕጡቕ ሰኑይ ንጉሆ ናብ ቀጽሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ድሕሪ ምእታዉ እዩ ተኹሲ ከፊቱ፡፡ ካልኦት 28 ከምዝቖሰሉን ሰብመዚ ገሊጾም። መምህራንን ተምሃሮን እቲ ዩኒቨርሲቲ ነብሶም ከድሕኑ ኣብ ውሽጢ ህንጻታት ከምዝተሓብኡን ካልኦት ድማ ብመሳኹቲ ክዘሉን ተራእዮም፡፡ እቲ ተምሃራይ ከምዝኾነ ዝተገለጸ ዕጡቕ፡ ፖሊስ ኣቑሲሉ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዎ እውን ተገሊጹ። እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ዩኒቨርሲቲ ፐርም ካብ ርእሰ ከተማ ሩስያ ሞስኮ 1300 ኪሜ ርሒቑ እዩ ዝርከብ፡፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሑ ምስልታት ተምሃሮ ካብቲ ተኹሲ ንምምላጥ ናይ ትምህርቲ ናውቶም ብመስኮት ከድርብዩን ክዘሉን ይረኣዩ፡፡ ሃገራዊ ቴሌቪዥን እታ ሃገር እውን ተመሳሰልቲ ቪድዮታት ኣቃሊሓ፡፡ ገለ ጸብጻባት ድማ እቲ ዕጡቕ ነቲ ተግባር በይኑ ከምዝፈጸሞን ዝኾነ ፖለቲካዊ ይኹን ሃይማኖታዊ ምኽንያት ከምዘይብሉን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጽሒፉ ነይሩ ኢሎም፡፡ ሓደ ኢቫን ፐቺሽቸቭ ዝተባህለ ፕሮፌሰር፡ ናብ ክፍሊ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ተምሃሮ ካብ ካልኣይ ደርቢ ክዘሉ ከምዝረኣየ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡ ‘‘ብዘደንግጽ ኩነታት እናእወዩ ዘሊሎም ወጺኦም’’ ኢሉ፡፡ ዩኒቨርሲቲ ፐርም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ኣብቶም ህንጻታት ዝነበሩ ተምሃሮ ኣብ መምሃሪ ክፍሎም ክጸንሑ ጸዊዑ፡፡","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58624610"} {"headline":"ኣብ ትግራይ ካብ ዘለዉ ዩኒቨርሲቲታት ልዕሊ 10 ሽሕ ተምሃሮ ከምዝተመለሱ ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከባ ዩኒቨርሲቲታት ትምህርቶም ዝከታተሉ ዝነበሩ 10 ሽሕን 164 ተምሃሮ ክሳብ ኮምቦልቻን ኣዲስ ኣበባን ከምዘጓዓዓዘ ሚኒስትሪ ሳይንስን ላዕለዎት ትካልት ትምህርትን ኣፍሊጡ፡፡ ብሚኒስተር ሳይንስን ላዕለዎት ትካልት ትምህርትን ሳሙኤል ኡርቃቶ (ዶ\/ር) ተጻሒፉ ኣብ ዕላዊ ገጽ ማሕበራዊ ሚድያ እቲ ትካል ዝወጸ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ እቶም ተምሃሮ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ዓዲ ግራት፣ ኣኽሱም፣ መቐለን ራያን ተመዲቦም ዝመሃሩ ዝነበሩ እዮም፡፡ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ክረምታዊ ናይ ዕረፍቲ እዋን እኳ እንተኾነ ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት፡ እቶም ተምሃሮ ናብ ዝመጹሉ ከባቢ ንምምላስ ተጸጊሞም ጸኒሖም እዮም፡፡ ብኣቆጻጽራ ግእዝ ክሳብ 6 ነሓስ 2013 ኣብ ዘለዉ ሰለስተ ሰሙናት ካብ ዓዲ ግራት 2,355፣ ኣኽሱም 2,992፣ መቐለ 3,668 ካብ ራያ 1,149 ተምሃሮ ብሓፈሻ 10,164 ተምሃሮ ብወገን ሰመራ ምጉዕዓዝ ከምዝተኽኣለ ተገሊጹ፡፡ እቶም ተማሃሮ ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዝነበሩ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ካብ ናይ ዕረፍቲ ግዚኦም ሓደ ወርሒ ስለዝባኸነ ተወሳኺ ናይ ዕረፍቲ ግዘ ከምዝወሃቦም ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2013 ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ዓዲ ግራት፣ ኣኽሱምን መቐለን ክምረቑ ዝግብኦምን ዘይተወደአ ናይ ትምህርቲ መደብ ዘለዎምን ተምሃሮ ዝምልከት ድማ እቲ ሚኒስትሪ ኣንፈት ከምዘቐምጥ ኣፍሊጡ፡፡ እቶም ተምሃሮ ትምህርቶም ዝውድኡሉን ዝምረቑሉን ኩነታት ከምዝመቻቸ እቲ ሚኒስትሪ ሓቢሩ ኣሎ፡፡ ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ክረምታዊ መደብ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ትግራይ ናብ ዘለዋ ዩኒቨርሲቲታት ከይዶም ዝመሃሩ ዝነበሩ ተምሃሮ ብምኽንያት ጸገም ጸጥታ ክጓዓዙ ከምዘይከኣሉ ተገሊጹ፡፡ ነዚኦም እውን እቲ ሚኒስትሪ ብዘቐምጦ ኣንፈት ትምህርቶም ዝከታተሉሉ ዕድል ከምዝህሉን ብትዕግስቲ ክጽበዩን መልእኽቲ ተሓላሊፉ፡፡","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58204889"} {"headline":"ትምህርቲ፡ 'ዝመሃርካዮም ኣብ ዝሓሸ ስራሕን ናብራን ከም ምርኣይ ዘሐጉስ የሎን'","content":"ዓለምና ብትምህርትን ፍልጠትን እያ ተቐይራ። ሕጂን ንመጻእን እውን ብቐጻሊ ምርምርን ሳይንሳዊ ምህዞን እያ ክትምዕብል። እተን ኣቐዲመን ዝማዕበላን ዝተቐየራን ሃገራት እተን ኣቐዲመን ህዝበን ዘምሃራን ፍልጠት ዘዕጠቓን እየን። እቲ ኣብ ሕብረተሰብና ብሃይማኖታዊ ትካላት ዝጀመረ ፊደል ምቑጻር፡ ዳሕራይ ምስ ምምጻእ ባዕዳውያን፡ ኣብ ጥልያን ክሳብ ራብዓይ፡ ኣብ ኢንግሊዝ ክሳብ ሻምናይ ዝነበረ ትምህርቲ፡ ኣብቲ ዳሕራይ እዋን ክሳብ ዩኒቨርሲቲ ዓብዩ፡ ብኡ መጠን ከኣ መንቋሕቋሕታ ትምህርቲ ሰፊሑን ገፊሑን። ትካል ሕቡራት ሃገራት፡ ትምህርቲ ንማሕበረ ቁጠባዊ ህይወት ሓደ ህዝቢ ንቕድሚት ዝደፍእን ንዜጋታት ካብ ድኽነት ዘናግፍን ዕጥቂ ምዃኑ ይገልጽ። ኣብ ሕብረተሰብና እውን፡ ትምህርቲ ካብ መንብሮ ሕርሻን ጉስነትን ዝገላግል፡ ካብ መቝሕ ድኽነት ዘናግፍ ፍቱን መድሃኒት ስለዝተወስደ ዓቕምን ክእለትን ዝረኸበ ሕብረተሰብ ዝርካበን ጥሪቱን ትሕዞኡን እናሸጠ ደቁ ከምህር ይፍትን ነይሩ። እቶም ኣብቲ እዋን፡ ካብ ገጠራት ብእግሮም እናተጓዕዙ፡ ፍልጠት ቀሲሞም ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሑን ኣብ ዓለማዊ ትካላት ልዑል ቦታ ዝሓዙን ውሑዳት ብኣብነት ዝጥቀሱ ምሁራት ከኣ ፍርያት እቶም ሽዑኡ ተጊሆም ዝመሃሩዎም መምህራን ምዃኖም ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ የረድእ። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ መምህር ቤትትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ: ጸጋይ ገብረሂወት እውን ነቲ ትማሊ ዝተኽብረ ዓለማዊ መዓልቲ መማህራን ምርኩስ ብምግባር፡ \"ምምህርና ብቐጻሊ ክትመሃር ዘገድድ፡ ዝመሃርካዮም መንእሰያት ብፍልጠትን ክእለትን ክቕየሩን ናብ ቅኑዕ መገዲ ከምርሑን እትርእየሉ ሞያ ብምዃኑ ኣዝየ ሕጉስ እየ\" ክብል ንምምህርና ልዕሊ ስራሕን መነባበርን ኣብቲ ዝነብረሉ ሕብረተሰብ ኣበርክቶ ይገብር ብምህላው ከምዘሐብኖ ይገልጽ። ትካል ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ 1994 ኣትሒዙ፡ ዓንዲ ሕቖ ሕብረተሰብ ዓለም ንዝኾነ ሞያ ምምህርና ክብርን ኣፍልጦን ንምሃብ ንሓሙሽተ ጥቅምቲ ከም ኣህጉራዊት መዓልቲ መማህራን ክትክበር ወሲኑ። መምህር ኣብ ምቕያር ሕብረተሰብን ምዕባለን መሰረታዊ ተራ ስለዘለዎ፡ ጽሬትን ብቕዓትን ትምህርቲ መታን ክረጋገጽ ኣባል ሃገራት ካብ ምስልጣን መምህራን ኣትሒዘን መሰላቶም ከረጋግጻን ብኹሉ ዝከኣል ክድግፈኦምን የተሓሳስብ። ዓለማዊ ውድብ ስደተኛታትን ትካል ትምህርቲ ባህልን ሳይንስን ሕቡራት ሃገራት: ጽሬትን ብቕዓትን ስርዓተ ትምህርቲ ካብ ኣቀራርጻኡን ኣወሃህባኡን ኣትሒዙ፡ ምዕባለኡን ውጺኢቱን ብቐጻሊ ምክትታል ከምዘድልዮ የነጽር። ምምህርና ስራሕ እንጀራ ዘይኮነ ፍቕሪ እዩ። ዝብል መምህር ጸጋይ ክዓቢ እንከሎ ምስ ብዙሓት መዛንኡ ነዊሕ መገዲ ተጓዒዞም ካብ ገጠር ዝመጽኡ መዛንኡ ይመሃር ብምንባሩ፡ በታ ንሱ ዝረኽባ: ዝርካባ ኣብ ከተማ ኮይኑ ዝተማህራ ዕድል ተሰሚዑዎ ነብሱ ንምምዕባል ብቐጻሊ ይጽዕር ምንባሩ ይዛረብ። ንልዕሊ 40 ዓመት ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ንካልኣይ ዲግርን ዶክተሬይትን ዝመሃረን ዝምህርን ዘሎ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ \" ዋላ'ኳ ካብ ምምህርና ወጻኢ እንተዘይሰራሕኩ ካብኡ ዝጥዕም ስራሕ ዘሎ ኣይመስለንን\" ክብል ነቲ ሞያ ዘለዎ ፍቕርን ክብርን \"ዝመሃርካዮም ኣብ ዝሓሸ ስራሕን ናብራን ከም ምርኣይ ዘሐጉስ የሎን!\" ይብል። መምህር ጸጋይ ገብረሂወት እውን ተመሳሳሊ ርእይቶ እዩ ዘለዎ። \" ምምህርና ዕግበት እዩ፡ ብእኡ ከኣ እዩ ዝፍቶ ክኽበር ከኣ ዝግበኦ\" ይብል። ትካል ሕቡራት ሃገራት ንሓሙሽተ ጥቅምቲ ከም ዓለማዊ መዓልቲ መምህራን ካብ ዝሰምያ ንደሓር ካብ 1994 ኣትሒዙ ኣብ ኩለን ኣባል ሃገራት ክትበዓል ጸኒሓ ኣላ። ለብዘብን እውን ዋላኳ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ ዳርጋ ኩሉ ህዝባዊ፡ ሃገራውን ኣህጉራውን በዓላት ብማንዛ ርክባት ብርሕቀት ዝግበር እንተኾነ ንኣገዳስነት እቲ ዕለትን ዛዕባን ግን ኣይድርቶን እዩ። መምህር ንቖልዑን መንእሰያትን ፍልጠት ዘቕስም፡ ዓንዲ ሕብረተሰብን ኣብቲ ንዓለምና ዝቕይር ፍልጠትን ክእለትን ንምስራጽ ዓቢ ድርኺት ዝፈጥር ኣገልጋሊ ህዝቢ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ እዩ ትካል ሕቡራት ሃገራት ሞያን ኣበርክቶን መማህራን ክብሪ ንክወሃቦ ሕብረተሰብን ኣባል ሃገራትን ንመማህራን ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝግበኦም ተራን ክብርን ንኽረኽቡ ዓለማዊ መዓልቲ መምህራን ዝመደበ። ናይ ለብዘበን ቴማ ከኣ \"መማህራን ንመጻኢ እናማዕደው ኣብ ቅልውላው ክመርሑ ይግባእ\" ብዝብል ቴማ ድምጺ ሞያ ምምህርናን መሻርኽትን ከምዝስማዕ ተፈቲኑ። ማንም ሰብ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ክሕረም የብሉን ዝብል መንፈስ መማህራን ክኽበር ኣለዎ። እቲ ዕላማ ንሱ እዩ። ዘይተማህረ ነየድሕን ዘይተወቕረ ነየጥሕን ዝብል ምስላ ኣበዋት ኣብ ቦትኡ እዩ ዘሎ። \"ሸውዓተ ዓመት ከይመሃሩስ ሰብዓ ዓመት ይድንቁሩ'ኳ\" ዝበሃል ክብል ንኣገዳስነት ትምህርቲ ኣብ ሕብረተሰብን ዓለምን ይገልጽ መምህር ጸጋይ ካብ ለንደን። ዓለማዊ ኣጀንዳ ትምህርቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2030 ኣባል አባል ሃገራት ጽሬቱ ዝሓለወ ፍልጠትን ክእለትን ዘስንቕ ትምህርቲ ንክህሉ እዩ። ኩሎም ተማሃሮ ጽሬቱ ዝሓለወ ንሕጅን መጻእን ከስርሖም ዝኽእል ፍልጠትን ክእለትን ክሰንቁን ክዓጥቁን ዝምልከተን ኣባል ሃገራት ንመማህራነን ኮነ ንተማሃረኦን ዘድልዮም ዘበለ ደገፋት ክገብራሎም ሕቡራት ሃገራት ይጽውዕ። \"መምህር፡ ስነ ምግባራዊ፡ ስነ ፍልጠታዊ፡ ሕርሻን ምርባሕ ከብትን፡ ጽሬትን ሓለዋ ጥዕናን ብዘበናዊ ኣገባብ ፍልጠት ዘስንቕ ኣገልጋሊ ሕብረተሰብ ስለዝኾነ ክኽበር ይግባእ\" ይብል ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ። ትካል ሕቡራት ሃገራት ከኣ ሕብረተሰብ ዓለም ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ምምዕባል ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዝነብር፡ ክእለትን ጥበብን ኣነባብራ ከጥሪ፡ ኣኽብሮ ሰብአዊ መሰላት ከረጋግጽ፡ ዓመጽን ኣድልዎን ዘይብሉ ጾታዊ ማዕርነት ክሃንጽ፡ ባህሊ ሰላምን ርግኣትን ክፈጥር ክሕገዝን ክተባባዕን ኣለዎ እዩ ዝብል። ዩኔስኮ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዳካር ምስ ቲንክ ታንክ (ብሓሳብ ንትካላት ዘማኽሩ) ብሩኪንግ ኣመሪካ፡ ኣብ ትሽዓተ ሃገራት ሳሕለ ሰሃራ ኣፍሪቃ፡ ጫድ፡ ኮቶዴቩዋር፡ ዴሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎ፡ ጋምቢያ፡ ኬንያ፡ ሌሰቶ፡ ማሊ፡ ሴነጋልን ዛምቢያን፡ ኣብቲ ትምህርቲ ንቕድሚት ዝደፍእ ረቛሒታት፡ ኣብ ካሪክለም፡ ስልጠና ምምህርና፡ ስርዓተ ትምህርቲ ዓሚቕ ገምጋምን ብምክያድ ዝገበሮ ዝርዝራዊ መጽናዕቲ ንኣፍልጦን መረዳእታን ሓቲሙ ኣቕሪቡ። እቲ መጽናዕቲ'ዚ፡ ህሉው ኩነታት ትምህርቲ ሃገራት ሳሕለ ሰሃራ ብኸመይ ምስዚ ዓለማዊ ጠለብ ትምህርቲ ይቃዶን ንዕዳጋ ዓለም ዝበቅዕ ብጽሩይ ትምህርቲ ዝተመልመለ ምሁር ዓቕሚ የፍርን ዝግምግም እዩ። እቲ ኣብ ትሽዓተ ሃገራት ሳሕለ ሰሃራ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ንኤርትራን ጎደቦታታን እውን ክሕግዝ ይኽእል እዩ ይብሉ እቶም ኣብዚ ዛዕባ ርእይተኦም ዝሃቡ ምሁራት። ርግጽ እዩ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሳልሳይ ዓለም መምህር ማዕረ ሞይኡን ክብሩን ኣይክፈልን እየ። ግን ዳርጋ ኩሉ መምህር ጻዕሩን ድኻሙን በቶም ሞይኡን ኣበርክቶኡን ዝነግርሉ ተማሃሮኡ እዩ ዝድበስ። ዓስቡን ሞስኡን እቶም ንሱ ብዘቕሰሞም ፍልጠትን ብዘርኣዮም መገድን ህይወቶም ቀይሮም ኣብ ጽቡቕ መነባብሮ ዝበጽሑን ንሃገርን ህዝብን ዘገልግሉ ተማሃሮኡ እዩ ዝኽፈል። ጸጋይን ጋይምን እውን ከምኡ እዮም ዝኣምኑ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/54445097"} {"headline":"ሎሚ'ውን ተመሃሮ ምስ ጥሪትን እንስሳን ኣብ እምኒ ከፍ ኢሎም ዝምሃሩላ ትግራይ","content":"ሲንጋፖር፡ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ከም ሃገር ብሕብረት ክትጥንክር ካብ ዝገበሩዋ እቲ ሓደ ትምህርቲ'ዩ። ካብኡ ንድሓር፡ ንተመሃሮን መማህራንን ብዘለዋ ተገዳስነት ኣብ ትምህርቲ ብፍላይ ድማ ሳይንስን ሒሳብን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዓ ንእስቲ ክነሳ ብትምህርትን ስነ-ፍልጠትን ንዓበይቲ ሃገራት እውን ትመርሐን ኣላ። ብወገነይ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ሃይ ያንግ ዝተባህለ ወዲ 10 ዓመት ቖልዓ፡ \"ትምህርቲ ሒሳብ ከቢድ እዩ ኢልካ እንተሓሲብካ ክትዕወት ኣይትኽእልን\" ክብል ንቢቢሲ ዝተዛረቦ ኣይርስዖን። ክንድዚ ዝኣክል ርእሰ ተኣማንነት እማን ናይ ቖልዓ 10 ዓመት ድዩ? ትብሉ ትኾኑ። ኣብታ ሃገር ግን ብትምህርቲ ዋዛ ስለ ዘየለ፡ ወለዲ ብልሒ ደቆም ዘይሃንጹን ናብ መኣዲ ትምህርቲ ዘየኽትቱን እንተኾይኖም ብሕጊ ስለዝሕተቱ ተገዲሶም እዮም ህንጸት ደቆም ዝከታተሉ። ነዚኦም፡ ካባኹም 4389 ማይል ርሒቓ ኣብ እትርከብ ኢትዮጵያ ዝተባህለት ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ትግራይ እትብሃል ክልል ኣላ። ኣብታ ክልል ከኣ፡ ጸሊም ሰሌዳ ዘይብሎም፣ ሓሓሊፉ'ውን መምሃሪ ሓገዝ ዝኸውን መጽሓፍ እናሓጸሮም ኣብ ኢዶም ዕንጸይቲ ሒዞም ኣብ እግሪ ኦም ኮይኖም ዝምህሩ መምሃራን ኣለው እንተንብሎም ከ? መዓዝ እዚ ጥራሕ። ተመሃርኦም ንጉሆን ምሸትን ኣብ እምኒ ኮፍ ኢሎም፣ ኣሕ እምባሕ ምስ ዝብላ ጥሪትን እንስሳ በረኻን ብላዕሊ ጽሓይ፣ ብታሕቲ ረስኒ፣ ብጎኒ ንፋስ እናተፋረቖም ጎቦ ልቦም ኣብ ዳስ ኮይኖም እዮም ዝመሃሩ ክበሃል እንተዝሰምዑ እንታይ ምበሉ? ክልቲኦም ኣብቲ ሃለው ኣብዚ፡ መምህርን ተመሃርን ተባሂሎም'ዮም። ንመምህር ሙሉብርሃን ኣረጋዊ ግን፡ ሓቀኛ ህይወት መምህርነታን ተመሃሮኣን እዚ እዩ። መምህር ሙሉብርሃን ኣርኣያ፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ሶላ መምህርን ርእሰ መምህርን ኮይና ንሓሙሽተ ዓመት ሰሪሓ። \"ኣብቲ ከባቢ፡ ብርክት ዝበሉ ናይ ዳስ መምሃሪ ክፍልታት ስለ ዘሎ፡ እቲ ተመሃሪ ትሕቲ 50 ሚኢታዊት ቀልቡ እዩ ዝህብ እንተበልካ ምግናን ኣይኸውንን\" ትብል። 'ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ፣ እንስሳ ወይ ካልእ ክመጽእ'ዶ ይኸውን?' ህጻናት ተመሃሮ ወትሩ ኣብ ሞንጎ ትምህርቲ ንመምሃራኖም ዘቕርቡሎም ሕቶ'ዩ። በዚ ምኽንያት፡ እቲ ትኹረቶም ኣብ ክንዲ ኣብ መጽሓፍትን እቲ ዝወሃቦም ትምህርትን ዝኸውን፡ ኣዒንቶም ማዕዶ ማዕዶ እናጠመታ ጎቦ ጎቦ ምስ ኮኑ'ዮም። \"ኣብ እምኒ፣ ጸሓይን ንፋስን ኮይኑ ዝመሃር ተመሃራይ ከኣ ትሑት ርድኢት ክህልዎ ግድን እዩ። ብፍላይ ገና ልቢ ዘይገዝኡ ብዕድመ ንኣሽቱ ስለ ዝኾኑ፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ክመሃሩ ከለው ኣጸጋሚ እዩ። ምሉእ ክላስ ኣብ ዘይተማልአሉ መምሃሪ ክፍሊ ኣትዩ ዝመሃር ተመሃሪ ከኣ ትኹረቱ ስለ ዝስረቕ፡ ክንድ'ቲ ክሕዞ ዝግባእ ፍልጠት ክሕዝ ኣይኽእልን\" ትብል መምህር ሙሉብርሃን። እቲ ከባቢ ሕጂ'ውን ለውጢ የብሉን፤ ዝበዝሕ ኣብ ዳስን ግድግዳን ኮይኑ እዩ ዝምሃር ዘሎ። እቲ ኣብኡ ዝሰርሕ መምህር'ውን ስሩዕ ቤት ጽሕፈት ኣለዎ ንምባል ኣጸጋሚ ከም ዝኾነ መምህር ሙሉብርሃን ትዛረብ። \"ኣብ በረኻ እናምሃርኩ ንሓሙሽተ ዓመት ጸኒሐ። ክልተ ብሎክ ህንጻን ሓንቲ ቤት ጽሕፈት መምሃራንን እያ ዘላ። ካብኡ ዝተረፈ በብዓመቱ እናፈረሰ ብነበርቲ እቲ ከባቢ እናተጸገነን ዝስራሕ እዩ ዘሎ\"። ተመሃሮ ቃዕ ዝበለት ጸሓይ ጾም ኣርብዓ ኣብ ዝወቕዖ እምኒ ጭቃ ጠፍጢፎም ክምሃሩ ዝርኣየስ እንታይ ኮን ምበለ? መምህር ሙሉብርሃን፡ እቲ ኩነታት ከቢድ ስለ ዝኾነ ሓደ ሻብ ጥራይ ኣይኮነን፡ ሰለስተ ግዜን ልዕሊኡን ምኽኣል ስለ ዝኣበያ እንታይ'የ ዝርኢ ዘለኹ? ብምባል ትጭነቕ ነይራ። \"ግደ ሓቂ ኣብቲ ቦታ ኣይኮነን'ዶ መምህር ኮይነ ናብ ርእሰ መምህር ክዓቢ ሓደ ለይቲ'ውን ዝሓድር ኣይመሰለንን ነይሩ። ግን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ካብቲ ኣብኡ ዘሎ ሕብረተሰብ ኣይበልጽን ኢለ ተቐቢለዮ\" ኢላ። ኣብዚ ግን እንታይ'የ ክምህር? ዝብል ሓሳብ መመሊሱ ናብ ርእሳ ዝመጽእ ዝነበረ ኮይኑ፡ \"ምቾት ኣብ ዘይብሉ ክትሰርሖ እትኽእል ስለ ዘየዕግበካ ኣጸጋሚ እዩ\" ትብል። ሲንጋፖር፡ ሓንቲ ነተን መምሃራን ዘኽብር ባህሊ ዘለወን ሃገራት ዓለም ኮይና፡ ወለዲ'ውን ደቆም መምሃራን ንክኾኑ የተባብዑ'ዮም። ሙሉብርሃን'ውን \"ንፈጣሪ'ኳ መምህር ስለ ዝኾነ፡ ረቡኒ እንድዩ ዝብሃል? ኣነ'ውን ንመምህርነት ክብሪ እናሃብኩ መምህር ክኸውን እናተመነኹ'የ ዓብየ\" ትብል። ጓል 20 ዓመት ኯይና ድማ፡ ኣብቲ ስሩዕ መምሃሪ ክፍሊ ዘይብሉ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ክትምህር ልኡኽ ጽሑፍትኣ ተቐቢላ። \"ጀማሪት ኮይነ ክኣቱ ከለኹ ካብ 1ይ ክሳብ 8ይ ክፍሊ ኣምሂረ እየ። ተመሃሮ ኣይኮነን ወንበር መምሃሪ ሰሌዳ የብሎምን። ነዚ ክርኢ ከለኹ ተስፋ ብምቑራጽ ዝገብሮ ይጠፍኣኒ ነይሩ። ንሳቶም ግን ብጭንቂ ንጀዲድ ጸሊም ቀለም ቀቢኦም ምምሃር ዝጀመርሉ ኣጋጣሚ ኣሎ እዩ\" ትብል። በቲ ኩነታት፡ ብዙሓት ህጻናት ተመሃሮን ደቂ ኣንስትዮን ካብ ትምህርቲ ከም ዝተርፉ ትዛረብ። \"እዚ፡ ምቹእ ኣብ ዘይኮነ ቦታ ክንድቲ ዝደለኻዮ ክትስጉም ከም ዘይትኽአል የርእየካ። ብሓቂ ነዚ ድየ ተማሂረ ኢሉ ተስፋ ቖሪጹ ንደገ ዝኸይድን ከም ዝኾነ ይኹን ኢሉ ኣብኡ ዝቕጽልን ኣሎ\" ኢላ። እዚ፡ እቲ መምህር ግቡእ መልእኽቲ ንከሕልፍ'ውን ስለ ዘየተባብዖ፡ ሕጉስ ኮይኑ ወለዶታት ክሃንጽ ኣይክእልን። ንሳ'ውን ምስቲ ዝጸንሓ \"እምበርከ ኣብዚ ንሓንቲ ለይቲ ክሓድር ድየ ዝበልኩሉ ነይረ። መጀመርታ ብዙሕ'ዩ ተስፋ ዝቖርጽ ነይረ\" ትብል። በዚ፡ መኪና ናብ ዝመጸቶ እናኸደት ብሎሚ ጽባሕ ተቐቢላቶ፤ በቲ ዘሎ ክትምህር ወሲና። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ሓላፊት ዘፈር ቁጠባ እታ ወረዳ ኯይና ኣላ። \"ሓደ ግዜ ንሱፐርቪዥን ናብ ሓደ ዳስ ይኣቱ። እቲ መምህር እናምሃረ ተመሃሮ ከኣ እናተመሃሩ ቀጥታ ከብቲ ተዳፊአን ናብቲ ክፍሊ ኣትየን። እንስሳት ደገ'ውን ይመጽኡ እዮም። እዚ ዝፈጥሮ ምስንባድ ኣብ ሰዓታት ትምህርቲ ዝፈጥሮ ጽልዋ ቀሊል ኣይኮነን\" ብምባል ንሓደ ካብ ተጓንፎታታ ትጠቅስ። መንግስቲ ሲንጋፖር ንዝኽተሎ ጽኑዕ ስርዓት ትምህርትን ዕብየትን ሃገሩ ማእገር ዝኾኑዎ መምሃራን ስለ ዝኾኑ፡ ንመምሃራን ጽቡቕ ሓገዝ መጽሓፍትን ገንዘብን፣ እኹል ስልጠናታት ብምሃብ ጥንቃቐ ዘለዎ ስርጸት ትምህርቲ ከፈጽሙ የተባብዕ። እቲ ዝምህርሉ መምሃሪ ክፍሊ'ውን ኩሉ ነገር ዝተማልኦ፣ ምቹእን ሰሓብን ካብ ምዃኑ ብዝተላዕለ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዳርጋ 'ናብ ቤተ ፈተነ መሃዝቲ' ተቐይሩ ከም እትረኽቦ ይንገረሉ። ስለ ዝኾነ ድማ እቶም መምሃራን፡ \"The key is teacher\" (እቲ ቑልፊ መምህር'ዩ) ብምባል ብዛዕባ ምቹእነት ትምህርቲ ሃገሮም ብሓበን ይዛረቡ። መምህር ሙሉብርሃን፡ ዋላ'ኳ በቲ ዘሎ ኩነታት ትምህርቲ ትግራይ ሕጉስቲ እንተዘይኮነት፡ \"ገዛ ዘፍረዮ ስለ እትጥቀም በቲ ዘሎ ኩነታት እናሰራሕና መጺእና ኢና። ግን ከምዚ ኢልካ ዘላቒ ክኸውን ኣይኽእልን\" ብምባል ጽባሕ ዝሓሸ ኩነታት መምሃሪ ክፍሊ ክፍጠር ተተስፉ። ነዚ ጸገም ክፈትሕ ልዑል ተስፋ ዝግበረሉ ከኣ፡ ኣብ ህንጸት ዘመናዊ ኣብያተ ትምህርቲ ኣተኲሩ ኣብ ትግራይ ክሳብ ህንጸት ዩኒቨርሲቲ ክበጽሕ መደብ ዘለዎ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ስለ ዝኾነት፡ \"ንዓኣ እንተሓጊዝናያ ነዚ ታሪኽ ክንቅይሮ ንኸውን\" ትብል።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54555416"} {"headline":"ቢልየነር፡ በዓልቲ ቤት ጄፍ ቤዞስ ነበር፡ ንናይ ሳይንስ መምህር ተመርዕያ","content":"በዓልቲ ቤት ጄፍ ቤዞስ ዝነበረት ማኬንዚ፡ ደቃ ኣብ ዝመሃርሉ ቤት ትምህርቲ ሳይንስ ንዝምህር ውልቀሰብ ተመርዕያ። ማኬንዚ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት እያ፡ ምስ ቁፅሪ ሓደ ሓፍታም ዓለም ዝኾነ ጄፍ ቤዞስ ተፋቲሓ። ካብ ሞንጎ ሃፋትም ዓለም ሓንቲ ዝኾነት ማኬንዚ፡ ዛጊድ ኣርባዕተ ቢልየን ዳላር ብመልክዕ ረድኤት ለጊሳ እያ። 'ጊቪንግ ፕሌጅ' ኣብ ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ግብረ ሰናይ እዩ፡ ቢልየነር ማኬንዚ፡ ንመመህር ሳይንስ ዳን ጄዌት ከምዝተመርዓወት ዕላዊ ኮይኑ ዘሎ። ማኬንዚ ኣብ ዘውፅኣቶ መግለፂ፡ “ዳን ብጣዕሚ ፅቡቕ ሰብ እዩ፤ ክልቴና ሕጉሳት ኢና” ክትብል፡ ብዛዕባ ሓዳራ ተዛሪባ። ከም ትንበያ መፅሄት ፎርብስ፡ ማኬንዚ ኣስታት 53 ቢልየን ዳላር ሃፍቲ ትውንን። ማኬንዚ፡ ካብዚ ሃፍታ፡ ንትካላት ግብረ ሰናይ ከምትልግስ ድማ፡ተመፃቢዓ እያ። ኣብ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዝሰርሑ ትካላት፣ ባንክታት ምግብን ናይ ፀለምቲ ኮሌጃትን፡ሓገዝ ንክትገብር ቃል ካብ ሞንጎ ዝኣተወትሎም እዮም። ምስ ጄፍ ቤዞስ ን25 ዓመታት ኣብ ሓዳር ዝፀንሐት ማኬንዚ፡ ቤዞስ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ትካል ኣማዞን እንከጣይሽ ሓጊዛቶ እያ። ማኬንዚ ክልተ ልበ ወለድ መፃሕፍቲ ዘሐተመት እንትትኾን፡ መፅሓፋ ዝሽየጠሉ ኣማዞን፡ “ኣብ ሲያትል ምስ ኣርባዕተ ደቃን በዓል እንድኣ ዳንን ከምትነብር” ይገልፅ። ሓድሽ በዓል ገዝኣ ዳን ከኣ፡ ደቂ ማኬንዚ ኣብ ዝመሃርሉ ሓደ ናይ ሃፋትም ቤት ትምህርቲ፡ መምህር ሳይንስ ከምዝኾነ ይሕብር። ጄፍ ቤዞስን ማኬንዚን፡ ኣብ 2019 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን እንክፋትሑ፡ ቤዞስ ቁፅሪ ሓደ ሃፍታም ዓለም ኔሩ። ኣብ ኣማዞን ዘለዎ 16 ሚእታዊት ብፅሒት ድማ፡ ፍልፍል ሃፍቱ ኔሩ። ን25 ዓመታት ዝፀንሐ ሓዳሮም እንትፈርስ፡ ማኬንዚ ካብ ብፅሒት ኣማዞን 4 ሚእታዊት ወሲዳ እያ። መስራቲ ኣማዞን ጄፍ ቤዞስን፡ ወናኒ ኩባንያ ተስላ ኢሎን ማስክ፡ እናተባረዩ ሃፋትም ዓለም ብምዃን ይነሓነሑ ኣለዉ። ቢልየነር ማኬንዚ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን መበል 22 ሃፍታም እንትትኾን፡ በዓል ቤታ ነበር ጄፍ ቤዞስ ድማ፡ 177 ቢልየን ዳላር ብምውናን ቀንዲ ሃብታም ዓለም እዩ። መርበብ ሓበሬታ 'ጊቪንግ ፕሌጅ' ፡ ቅድሚ 11 ዓመታት ብ ቢልን ሚሊንዳ ጌትስን ከምኡ’ውን፡ ብሃፍታም ዋረን ባፌትን፡ ካብ ሃፍቶም ክልግሱ ንዝደልዩ ሃፋትም እዩ ተጣይሹ። ሃፍታም ዓለም ጄፍ ቤዞስ፡ ዛጊድ ናብዚ ትካል ኣይተፀንበረን።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56319230"} {"headline":"ኣብ ፈረንሳይ ምስ ዝተሰየፈ መምህር ብዝተኣሳሰር ኣርባዕተ ተምሃሮ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም","content":"ንተምሃሮኡ ናይ ነብዪ መሓመድ ኣካታዓይ ካርቱን ዘርኣየ መምህር ሳሙኤል ፓቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ከምዝተቐትለ ዝዝከር እዩ። ምስዚ ገበን ተኣሳሲሩ፡ 15 ሰባት ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ኾይኖም፡ ካብ መንጎኦም ኣርባዕተ ተምሃሮ ይርከብዎም። እቶም ካልኦት ድማ፡ ኣርባዕተ ኣባላት ስድራ ናይቲ ቀታሊ፣ ሓደ ወላድን ጥሩፍ እስላማዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብን ይርከብዎም። ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ጥርጡራት ዛጊድ ንልዕሊ 40 ጊዜ ጥሒሱ ናብ ገዛ ብምእታው ምርመራ የካይድ ኣሎ። እቲ መስካሕኽሒ ቅትለት ኣብ ፈረንሳይ ስንባደ ፈጢሩ ኣሎ። ብዓሰርተ ኣሸሓት ዝቑጸሩ ፈረንሳውያን ነቲ ዝተቕተለ ወዲ 47 መምህር ብሰላማዊ ሰልፊ ዘኪሮምዎ እዮም፤ ንሓሳብ ናጽነት ድማ ድጋፎም ኣርእዮም። ኣብ መጻኢ ረቡዕ ድማ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሶርቦነ ናይ መዘከርታ መድረኽ ክዳሎ እዩ ተባሂሉ። እቲ ነቲ መምህር ዝቐተለ ወዲ 18 ዓመት ኣብዱላኽ ኤ፡ ሽዑ ንሸኡ ብፖሊስ ተቐቲሉ እዩ። ዛጊድ እንታይ ይፍለጥ ? ኤኤፍፒ ከምዝጸብጸቦ፡ እቶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ኣርባዕተ ተምሃሮ እቲ ግዳይ ነቲ ቀታሊ መንነቱ ዝሓበሩ እዮም። እቲ ወኪል ዜና፡ ምንጪ ቤት ፍርዲ ጠቒሱ ከምዝበሎ፡ እቶም ተምሃሮ እዚ ንክገብሩ ገንዘብ ተኸፊልዎም ከምዘኾነ እዩ ዝንገር። ነዚኦም ሓዊሱ፡ ምስቲ ገበን ተኣሰሲሩ ዛጊድ 15 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ። ናይቲ ቀታሊ ኣቦሓጎ፣ ሰድራን፣ ወዲ 17 ዓመት ንእሽቶ ሓው ካብ መንጎ እቶም ዝተኣሰሩ እዮም። ሓደ ካብቶም እሱራት፡ ኣቦ ተምሃራይ እቲ ቤት ምህርቲ ኾይኑ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መምህር ግልጺ ዝኾነ ጎስጓስ ዝኸፈተ እዩ። ሓለፊ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር፡ እቲ ኣቦ ኣብ ልዕሊ እቲ መምህር ‘ፋትዋ’ [ቅትለት] ከምዝኣወጀ ገሊጹ። ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ነቲ ቅትለት ደጊፎም ሓጎሶም ዝገለጹ 80 ሰባት ምርመራ የካይድ ዘሎ ምዃኑ ድማ ገሊጹ። ከምኡ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ልዕሊ 51 ናይ ሰለሊም ማሕበራት ጽልኣት ይነዝሑ ነይሮም ብዝብል ምርመራ የካይድ ከምዘሎ ገሊጹ። ገለ ከምኡ ዝገበሩ እንተረኺቡ፡ ብሕጊ ክዕጸው ምዃኖም ድማ ኣፍሊጡ ኣሎ። እቲ መምህር ንምንታይ እዩ ተጠቒዑ? መምህር ሳሙኤል ፓቲ፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ ነቲ ‘ዘይግቡእ’ ካርቱን ነብዪ መሓመድ ንተምሃርኡ ኣብ ክፍሊ ካብ ዘርኢ ጀሚሩ ምፍርራሓት ይበጽሖ ነይሩ እዩ። እዚ ናይ ታሪኽን ናይ ጂኦግራፍን መምህር፡ ቅድም ክብል’ውን ከምኡ ዓይነት ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ ምህሮ ኣመሓሊፉ ምንባሩን፡ ብዚ ዘይተሓጎሱ ሙስሊም ተምሃሮ ክፍሊ ገዲፎም ክወጽኡ ሓቲቱ ከምዝነበረን ይዝረብ። ብኣስተምህሮ እስላም፡ ንነብዪ መሓመድን ኣላህን ብስእሊ ምግላጽ ፍጹም ነውሪ እዩ። ብፍላይ ድማ እዚ ጉዳይ ኣብታ ሃገር ምስቲ ቅድም ክብል ኣጋጢሙ ዝነበረ ተጓንፎ ዘሰክፍ ኮይኑ'ሎ። ኣብ 2015፡ 12 ሰራሕተኛታትን ጋዜጠኛታትን ሓደ ናይ ነብዪ መሓመድ ካርቱን ሓቲሙ ዝዘርገሓ መጽሄት፡ ብጥሩፋት እስላም ከምዝተቐተሉ ዝዝከር እዩ። ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ገለ ሰዓብቲ እስልምና፡ ብሰንኪ ሃይማኖቶም መጥቓዕቲታት ከምዝበጽሖም እዮም ዝገልጹ። እቲ ቀታሊ፡ ኣብ ከተማ ሞስኮ ዝተወልደ ኾይኑ፡ እቲ ግዳይ ንገዝኡ እንተምርሕ ተኸታቲሉ ኣብ መገዲ ብኻራ እዩ ክሳዱ ቆሪጽዎ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54612051"} {"headline":"ተምሃሮ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኤርትራ ብርሕቀት ይምረቑ ኣለዉ","content":"መዓልቲ ምረቓ ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ፡ ኮሌጅን ስነ-ኪነትን ካብተን ኣገዳሲ ቦታ ዝሕዛ መዓልታት እያ። ድሕሪ ናይ ዓመታት ጻዕሪ፡ ተምሃሮ ንኣገዳሲ ምዕራፍ ሂወቶም 'ተፈጸመ' ዝብልሉ፡ ፍረ-ጻዕሮም ዝሓፍስሉን ንሓጎሶም ምስ መምህራኖም፡ መማህርቶም፡ ቤተሰቦምን ኣዕሩኽቶምን ዝጽንብልሉ መዓልቲ'ያ። ናይዚ ዓመት'ዚ ተመረቕቲ ግን ዕድል ኣይገበሩን፡ ቀታሊ ለበዳ ኮቪድ-19 ንጉዕዞ ትምህርቶም ዓናቒፍዎ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንሓጎሶም'ውን ኮሊፍዎን ኣህሲስዎን'ዩ። ኣብ ዘመነ 'ተፈናተት'፡ ተምሃሮ ብማዕዶ ክምረቑ ተገዲዶም ኣለዉ። ንኮቪድ-19 ብምብዳህ ትምህርቶም ክዛዝሙ ዝኸኣሉ ተምሃሮ ኮሌጃት ኤርትራ'ውን፡ ከም ዓለሞም ብማዕዶ ይምረቑ ኣለዉ። ንመበል 13 ዘርያ ስነ-ስርዓት መመረቕታ ድማ፡ ከም ሰቦም ብማዕከናት ዜና ይከታተልዎ ኣለዉ። ኣብ ኤርትራ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣዝዩ ድኹም ብምዃኑ፡ ካልእ ይትረፍ ነዛ መመረቕታ መዓልቲ'ውን ከገልግል ኣይበቕዐን። ንቡር ኢንተርነት ኣብ ዘለወን ሃገራት፡ ተምሃሮ ብመንገዲ ኢንተርነት ወይ 'ማንዛ' (ቪርቹዋል) ትምህርቶም ይከታተሉን፡ ይምረቑን ኣለዉ። ናይ ሎሚ ዓመት መመረቕታ በታ ኣብ ከተማ ዓዲ-ቐይሕ ትርከብ ኮሌጅ ንግድን ማሕበራዊ ስነፍልጠት'ዩ ፈሊሙ። እቲ ኮሌጅ 47 እሚታዊት ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከብዎም 620 ተምሃሮ ብዲግሪን ዲፕሎማን ኣመሪቑ'ሎ። ብሉጻት ዝተባህሉ ሒደት ተምሃሮ ኣብቲ መመረቕታ ከም ዝተረኽቡ ጸብጻባት ሓቢሮም። ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ተምሃሮ ኮሌጅ ስነፍልጠት ማይ ነፍሒ ንወግዓዊ ጽምብል \"ብምውንዛፍ\" ን280 ብዲግሪን ዲፕሎማን ዝወድኡ ተምሃሮኡ ብማዕዶ ተመሪቕኩም ኣለኹም ኢልዎም ኣሎ። እቶም ተምሃሮ፡ ብስነ-ሂወት፡ ስነ-ቐመም፡ ስነ-ፍልጠት፡ ኮምፕዩተርን ስነ-ፍልጠት ባሕሪን ዝርከብዎም ዓውድታት ዝተማህሩ'ዮም። ካብ ከተማ ከረን ውጽእ ኢሉ ዝርከብ ኮሌጅ ሕርሻ ሓመልማሎ ብግዲኡ፡ 222 ብዲግሪ፡ 200 ድማ ብዲፕሎማ ዝወድኡ ተምሃሮኡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣመሪቑ'ሎ። ኣብ ማይ ነፍሒ ዝርከብ ካልእ ኮሌጅ ምህንድስናን ቴክኖሎጂን'ውን 366 ተምሃሮ ከመርቕ በቒዑ። ብሰንበት 25 ጥቅምቲ ኸኣ፡ ኮሌጅ ትምህርቲ ኣስመራ፡ 138 ብዲግሪ፡ 273 ድማ ብዲፕሎማ ኣመሪቑ። ካብዚኣቶም 239 ደቂ-ኣንስትዮ ምዃነን ተፈሊጡ። ኣብ ኩለን፡ መምሃራን ወግዓዊ ናይ ምረቓ ኣልባሳቶም ተኸዲኖም፡ ነቲ ወግዓዊ ጽምብል ክፍጽምዎ ተራእዮም። ሓለፍቲ ናይተን ትካላት ድማ፡ ንተምሃሮኦም ዮሃና ድሕሪ ምባል፡ ዝቐሰምዎ ፍልጠት ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ተማሕጺኖም። ኣብ መወዳእታ፡ ግን እቲ ንቡር ኣብ ክረምቲ ዝካየድ መመረቕታታት፡ ኣብ ናይ ቀውዒ ወቕቲ እዋን ምፍጻሙ ንተምሳል ምሕፋስ ዓወታቶም ኣጉልሒዎ ኣሎ። ካብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ፡ ብሰንኪ'ቲ ለበዳ ተዓጽየን ዝነበራ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኤርትራ ተኸፊተን ስርሐን ከምዝጀመራ ይፍለጥ። እቲ ኣብ መስከረም ዝጅምር ዝቕጽል ዓመተ-ትምህርቲ ግን ዛጊት ኣይተጀመረን። ኣብ ኤርትራ ኣብ 2 ሚያዝያ ጀመረ ወግዓዊ ዕጽዋ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣይተላዕለን ዘሎ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54709198"} {"headline":"ክልተ ሰራሕተኛታት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብዕጡቓት ተቐቲሎም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልተ ሰራሕተኛታት ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ንስራሕ ኣብ ዝኸድሉ ብጥይት ከምዝተቐትሉ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ሰራሕተኛታት ናይ’ቲ ሚኒስትሪ፡ ነቶም ዝተቐትሉ መሳርሕቶም፡ ናይ ስንብት ስነ-ስርዓት ከምዘካየዱ’ውን ሓቢሩ። እቶም ዝተቐትሉ ሰራሕተኛተት፡ ሙላት ፀጋዩ ከምኡ’ውን ኣበባው ኣያልነህ ዝበሃሉ ምዃኖም እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝዘርገሖ ጽሑፍ የረድእ። እቲ ሚኒስትሪ ከምዝበሎ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት እዮም ተቐቲሎም። ሬሳ ናይቶም ግዳያት፡ ካብ ክልል ዓፋር ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ እዩ ተላኢኹ። ሚኒስተር ትምህርቲ ጌታሁን መኩሪያ (ዶ\/ር) ሓዊሱ፡ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይ’ቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዝተረኸብሉ ድማ፡ ሬሰኦም ናብ ናይ ትውልዲ መረበቶም ተፋንዩ። ሚኒስተር ጌታሁን መኩርያ፡ ሑቑፊ ዕንበባ ዘንበረ ኾይኑ፡ ብሞት እቶም ሰራሕተኛታት ንዝተሰመዖ ሓዘን’ውን ገሊጹ። ንስድራ መወትቲ ድማ “ጽንዓት ይሃብኩም” ኢሉ። እቶም ክልተ ሰራሕተኛታት ኣብ ዝተቐተልሉ መጥቃዕቲ፡ ካልእ ሰራሕተኛ ናይ’ቲ ሚኒስትሪ'ውን ቆሲሉ እዩ። እቲ መቑሰልቲ ዘጋጠሞ ኣይተ ደምሴ ታምሬ፡ ኣብ’ዚ እዋን ሕክምና ይግበረሉ ምህላዉ፡ ካብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54722805"} {"headline":"ብዙሓት ተምሃሮ ትግራይ፡ ፈተና መእተዊ ዩንቨርሲቲ ኣይወሰዱን' ተባሂሉ","content":"ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተውሃበ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ፡ \"ብዙሓት ተምሃሮ ትግራይ ኣይተፈተንዎን\" ተባሂሉ ። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተምሃሮን ወለድን፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጎንጺ፡ እቲ ሃገራዊ ፈተና \"ሕዚ ምውሃቡ ትኽክለኛ ውሳነ ኣይኮነን\" ይብሉ። ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮፕያ ብወገኑ፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ካብ ለካቲት 29 ክሳብ መጋቢት 02 ዝተኻየደ ፈተና 12 ክፍሊ (መእተዊ ዩንቨርሲቲ)፡ \"ብሰላም ተዛዚሙ\" ኢሉ። ኣብ'ዚ ፈተና፡ ብደረጃ ሃገር ልዕሊ 385 ሽሕ ተምሃሮ ከምዝተፈተኑ ድማ ገሊጹ። ብኻልእ ወገን፡ ስሞም ክጥቀስ ዘይደለዩ ሰብመዚ ትምህርቲ ክልል ትግራይ፡ ካብቶም ኣብ'ታ ክልል ፈተና ክወስዱ ዝግበኦም ተምሃሮ \"ውሑዳት ጥራይ\" ከምዝተፈተኑ ይገልጹ። እንተኾነ፡ ብዝሒ ናይ'ቶም ተምሃሮ ኣይገለጹን። ቢቢሲ ዘዘራረባ፡ 12 ክፍሊ ወዲኣ ኣብቲ ኣብ'ዚ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተውሃበ መዛዘሚ ፈተና ንዘይምስታፍ ዝወሰነት ተምሃሪት \"ድልዋት ኣብ ዘይኮንናሉ ኩነታት ክካየድ ኣይምተገብኦን\" ትብል። ንሳ ወሲኻ፡ \"ኣብ ህይወትና ሓደ ዓመት ከሲርና\" ኢላ። \"ዘይምፍታንና የሕዝነና ግና ድማ፡ ቅድም ክብል ምስ ኮቪድ ብዝተሓሓዝ ሕዚ ድማ፡ ምስቲ ኩነታት፡ ኣብ ከባቢና ዘሎ ኲናት ሰላም ስለዘየለ፡ ብኡ ምኽንያት ኢና ዘይተፈተንና\" ክትብል ትዛረብ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክካየድ ዝግበኦ ዝነበረ ፈተና፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተናዊሑ፡ ኣብ'ዚ ዓመት ከምዝተኻየደ ይፍለጥ። ሕዚ ድማ፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ወተሃደራዊ ጎንጺ፡ ካብ ፈተና ከምዝቦኸሩ ተምሃሮ ይገልጹ። ኣብቲ ክልል፡ ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ፌዴራል መንግስትን ዝነበረ ምስሕሓብ፡ ሕዳር 4 ናብ ቅሉዕ ጎንጺ ምስ ኣምረሐ፡ ቀዳመይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ምእዋጁ ዝዝከር እዩ። ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ሕዳር ፌዴራል መንግስቲ ንከተማ መቐለ ምስተቖጻጸረ፡ እቲ ኲናት ከምዘብቀዐ እንተገለጸ'ኳ፡ ውግእ ቀጺሉ ከምዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ይገልጹ። ብዚ ምኽንያት ድማ፡ ኣብ'ታ ክልል ኣማኢት ኣሸሓት እንትመዛበሉ፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ድማ ናብ ሱዳን ከምዝተሰደዱ ይግለጽ። ኣብ ትግራይ፡ ጾታዊ ዓመጽ፣ ገበናት ኲናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ከምዝተፈጸሙን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ከጻሪ ክፍቀደሉ ምሕታቱን ይዝከር። ካብተን ፈተና ዘይወሰዳ ተምሃሪት፡ ነቲ ፈተና ዝኾነ ምድላው ከምዘይገበረት እያ ንቢቢሲ ተዛሪባ። \"ምስ'ቲ ዘሎ ኲናት ናይ ትምህርቲ ነገር ረሲዕናዮ ኢና ነይርና። ካብ ኣዕርኽተይ ዘይተፈተንና ኢና ንበዝሕ። ቅድም ክብል በቲ ኮቪድ፡ ሕዚ ድማ በቲ ኲናት ምኽንያት ንሓደ ዓመት ዝኣክል ኮፍ ኢልና ነይርና። ንፈተና ዝኾነ ምድላው ኣይገበርናን። ምስ'ቲ ኩነታትን እቲ ኲናትን፡ ኣእምሮና ኣብ ካልእ ስለዝነበረ፡ ንፈተና ድልው ኣይኮነን\" ኢላ። እቲ ፈተና ሃገራዊ ከም ምዃኑ መጠን፡ ምስቶም ኣብ ካልኦት ክልላት ዝርከቡ ብዙሕ ምድላው ዝገበሩ ተምሃሮ ከምዝወዳደሩ ዝሓበረት እታ ተምሃሪት፡ \"ምድላው ኣብ ዘይገበርሉ ምፍታን ግቡእ ኣይኮነን\" ኢላ ከምእትኣምን ትዛረብ። \"ክተንብብ ክትፍትን እንተለኻ፡ ኣብ ዝኾነ ቦታ ሰባት ተፈናቒሎም ወይ ከኣ፡ በዚ ኲናት ምኽንያት ህይወቶም ዝሓለፉ ኢኻ ትርኢ፤ እቲ ዝነበረ ደብዳብ ይርብሸካ፤ ክተጽንዕ ዘለዓዕል ነገር ኣይነበረን\" ኢላ። ጓሉ 12 ክፍሊ እንተወደአት'ኳ ኣብዚ እዋን ግን ናብ ፈተና ክሰድዳ ከምዘይደለየ ዝሓበረና ሓደ ነባሪ ከተማ መቐለ ብወገኑ፤ ንድሕነት ጓሉ ስግኣት ስለዘሓደሮ፡ ከም ወላዲ ናብ'ዚ ውሳነ ከምዝበጽሐ ኣረዲኡ። \"እቶም ቆልዑ ዕድሎም ይበላሾ ከምዘሎ ርዱእ እዩ፤ ግን ከኣ ከም ወላዲ ምስ ጓለይ'ውን ተረዳዲእና ዝገበርናዮ ንሱ እዩ። ዘይተምሃርዎ ንተራ ፕሮፖጋንዳ ተባሂሉ፤ ከምኡ ክግበር ትኽክል ኣይኮነን። እቲ ቐንዲ ግን እቲ ከባቢ ወተሃደራት ዘለውዎ እዩ። ጸጥትኡ ውሕስ ኣይኮነን። ቆልዑ ኣውጺኻ ንደገ ክትሰድድ ኣሸጋሪ ግዜ ስለዝኾነ፤ ብዚ ኢና [ናብ ፈተና ከይከዱ] ወሲንና፡ ደቅና ይሓሹና ብምባል እዩ።\" ይብል። እቲ ምእንተ ውሕስነቱ ስሙ ዘይንጠቕሶ ወላዲ ከምዝብሎ፡ ደቆም ነቲ ፈተና ዝዳለውሉ ኩነታት'ውን ኣይነበረን፡ ምስ'ቲ ዘሎ ናይ ጸጥታ ሽግር ድማ ደቆም ኣውጺኦም ናብ ፈተና ክሰዱ 'ሕልነኦም ኣይፈቐደሎምን'። ሰብ መዚ ግዚያዊ ምምሕዳር ከ እንታይ ይብሉ? ኣብ ጊዚያዊ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ኣይተ ጌታቸው ወዳጆ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ጥራይ ኣስታት 3600 ተምሃሮ ነቲ ሃገራዊ ፈተና ክወስዱ ትጽቢት ይገብር ከምዝነበረ ብምጥቃስ፡ እቲ ፈተና ግን ሎሚ ክወሃብ ኣለዎ ዝብል መርገጺ ከምዘይነበሮም ተዛሪቡ። \"[ተምሃሮ] ምንም ሓገዝ ኣይተገበረሎምን። ኣብ ኲናት'ኮ ኢና ዝኒሀና። ቅድሚኡ'ውን ብኮሮና ምኽንያት ተቛሪጹ እዩ ነይሩ። ትምህርቲ ካብ እነቋርጽ ዓመትና ኢና ገይርና። ኣብ መቐለ'ኳ ዘይሓገዝናስ ኣብ ካልእ ተገይሩ እዩ ዝብል እምነት የብለይን። ከምኡ ስለዝኾነ'ውን ሕዚ ክፍተኑ መደብ ኣይነበረናን። ትኽክል'ውን ኣይኮነን ኢና ንብል ዘለና። ክፍተኑ ከምዝኽእሉ ብሚድያ ኢና ሰሚዕናዮ። ድሌት ዘለዎም ይፈተኑ ተባሂሉ\" ኢሉ። ኣብዚ ጉዳይ ተወሳኺ መብርሂ ክህቡና ዝደወልናሎም ጊዝያዊ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ፡ እቲ ፈተና ብሚንስትሪ ትምህርቲ ይምራሕ ብምህላዉ ዝኾነ ዓይነት መብርሂ ክህቡ ከምዘይክእሉ እዮም ገሊጾምልና። ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቢሮ መተሓባበሪ ሰብኣዊ ረድኤት [UNOCHA] ኣብ'ዚ ሰሙን ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻቡ፡ በቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ጎንጺ፡ ኣስታት 25 ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝዓነዋ ንሚኒስትሪ ትምህርቲ ጠቒሱ ጸብጺቡ። ከምኡ'ውን ኣስታት 48500 መምህራን ትግራይ፡ ስነልቦናውን ማሕበራውን ሓገዛት ከምዘድልዮም ሓቢሩ። እቲ ጸብጻብ ወሲኹ፡ ከቢድ ናይ ጸጥታ ስግኣት ከምዘሎን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ንስልጠና ካብ ዝተጻውዑ መምህራን ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትመህርቲ፡ ናይተን 55 ኣብያተ ትምህርቲ \"ጥቕዓት ክበጽሐና እዩ\" ብዝብል ስግኣት ከምዘይተረኸቡ'ውን ሓቢሩ። \"ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ውሕስነት ተምሃሮን መምህራንን ምርግጋጽ ወሳኒ እዩ\" ኢሉ እቲ ጸብጻብ። ብፍላይ ድማ ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ፡ መዕቖቢ በቲ ኲናት ዝተመዛበሉ ሰባት ከምዝኾኑን፤ ገለ ድማ ወተሃደራዊ መዓስከራት ከምዝኾኑን እቲ ጸብጻብ የብርህ። ምስ'ዚ ተዛሚዱ፡ ሕጽረት ጽሩይ ዝስተን መሕጸብን ማይ፣ ምስ ለበዳ ኮቪድን ካልኦት ተላገብቲ ሕማመትን ትምህርቲ ምጅማር ኣስጋኢ ከምዝገብሮ ይገልጽ። ከምኡ'ውን ኣብቲ ክልል ምስቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ተኣሳሲሩ፡ ሕጽረት ምግቢ ካልእ ዕንቅፋት ክኸውን ከምዝኽእል ተሓቢሩ። ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ምስ ግዳማዊ ሓገዝቲ ብምትሕብባር፡ ንኣስታት 228 ሽሕ ተምሃሮ ድጋፍ ንምግባር ይንቀሳቐስ ከምዘሎ'ውን እቲ ጸብጻብ የብርህ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56370785"} {"headline":"ንግብጽን ኢጣልያን ዘሰሓሕብ ዘሎ ቅትለት ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ","content":"እቲ ብዛዕባ እቲ ዛጊድ ቀታሊኡ ዘይተፈልጠ ጣልያናዊ ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ፡ ዝካየድ ዝነበረ ምጽራይ ምርመራ ንግዚኡ ጠጠው ክብል ከም ዝገበረ ሰብ ስልጣን ግብጺ ኣፍሊጦም። ዓቃብቲ ሕጊ ጣልያን፡ ንሓሙሽተ ግብጻውያን ብዘየለውሉ ንምኽሳስ ኣብ ዝተዳለውሉ እዋን እዩ ነዚ ተሰሚዑ። ጁልዮ ሬጌኒ፡ ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ኮይኑ ኣብ 2016 ኣብ ከተማ ካይሮ ተሰዊሩ። ሬስኡ ድማ ድሕሪ ትሸዓተ መዓልቲ ተረኺቡ። ቅትለት እቲ ተመሃራይ ግን፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ንክፍጠር ምኽንያት ኮይኑ ነይሩ። ጣልያውናያን ዓቃብቲ ሕጊ ሰብ መዚ ግብጺ እቲ ምርመራ ከይስጉም ይሰርሑ ኣለዉ ክብሉ እዮም ዝኸሱዎም። ሬጌኒ ንምንታይ እዩ ተቓቲሉ ? ጥልያናውያን መርመርቲ፡ እቲ ተመሃራይ ዝሰርሖ ዝነበረ መጽናዕቲ ኣብ ዓይኒ ሓይልያት ጸጥታ ግብጺ ከም ዘእተዎ ጥርጣረ ኣለዎም። እቲ ሳልሳይ ዲግሪ ዝከታተል ዝነበረ ብዜግነት ጣልያናዊ ዝኾነ ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ፡ ንመመረቒ ጽሑፉ ዝሰርሖ ዝነበረ ጉዳይ 'ማሕበር ንጋዶ' ኮይኑ፡ እዚ ዛዕባ ኣብታ ሃገር ዘይትንከፍን መሰከፍን ርእሰ ጉዳይ ምዃኑ እዩ ዝዝረብ። ሰብ ስልጣን ግብጺ ግና፡ ነዚ ካብ ሰብ ሞያ ሕጊ ጣልያን ዝፍነው ጥርጣረ ከይተቐበልዎ ጸኒሖም። ኣብ ክንድኡ፡ ንቕትለት እቲ ተመሃራይ ካልኦት ጠንቅታት ክገልጹ ከለው ብፍላይ ግዳይ ገበን ሰርቂ ከይኮነ ከም ዘይተርፍ ይዛረቡ። ስድራ፡ እቲ ተመሃራይ ግን እዚ ኣበሃህላ 'ልሙድ ምትላል' ገይሮም ከም ዘወስዱዎ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ጣልያን ኣምባሳደር ሃገሩ ካብ ግብጺ ክስሕብ ሓቲቶም። እቲ ተመሃራይ እዚ ሓደጋ ዝበጽሖን ዝተሰወረን፡ ግብጻውያን ብ25 ጥሪ 2016 ሓምሻይ ዓመት ምጅማር ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሑስኒ ሙባረክ ኣብ ኣደባባይ ወጺኦም ኣብ ዝኽብርሉ እዋን እዩ። ኣብቲ እዋን ኣብ ከተማ ካይሮ፡ ሓያሎ ፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን ነይሮም ። ሬሳ ጁልዮ ሬጌኒ፡ ድሕሪ 9 መዓልቲ [3 ጥሪ 2016] እንተተረኸበ'ኳ፡ ኣዲኡ ወዳ ሰብነቱ ተበታቲኹ ስለ ዝነበረ ብኣፍንጭኡ ጥራሕ ከም ዘለለየቶ ንቤት ምኽሪ ጣልያን ተዛሪባ ነይራ። ኣስከሬን ዝምርምር ትካል ጣልያን፡ እቲ ተምሃራይ ቅድሚ ህይወቱ ምሕላፋ ካብታ ዝተትሓዘላ መዓልቲ ጀሚሩ ከሳቐን ከሰራጠን ከም ዝቐነየ ብምርመራ ኣረጋጊጸ እዩ ዝብል። ካልእ ተሪፉ፡ ምናልባሽ'ውን ጾታዊ ዓመጽ ከይበጽሖ ከም ዘይተርፍ ይግምት። መንግስቲ ግብጺ ነቲ ግዳይ ሓይልታት ጸጥታ ይከታተልዎ ከም ዝነበሩ'ኳ እንተዘይክሓደ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞይቱ ንዝብል ግን ኣይቕበሎን። ዓቃቢ ሕጊ ግብጺ ሕዚ እቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ክረአ ዝጸንሐ ጉዳይ ምጽራይ ቅትለት እቲ ተምሃራይ፡ ክቋረጽ ከም ዝወሰነ ገሊጹ ኣሎ። ምኽንያቱ ድማ፡ እቲ ብዓቀብቲ ሕጊ ጣልያን ዝቐረበ ሓበሬታ እኹል መረዳእታ ክረኽብሉ ብዘይምኽኣሉ ምዃኑ ይገልጽ። ንሳቶም፡ እቲ ተምሃራይ ብታራ ገበን ስርቂ ከም ዝተቐትለ ብምግላጽ ኣብ ልዕሊ እቶም ቀተልቲ ስጉምቲ ከም ዝተወስደን ይዛረቡ። በሓደጋ መኪና እዩ ሞይቱ ዝብሉን ካልኦት ነንርእሶም ዘይቃደውን ግምታት'ውን ቀሪቦም ከም ዝነበሩ ይዝከር። ብርግጽ፡ እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ዝወጽአ መግለጺ፡ ዓቃቢ ሕጊ ጣልያን ካብዚ ዝተፈለየ ውሳነ እንወሲኑ፡ ከም ሓደ ሉእላዊት ሃገር ከም ዘኽብር ይገልጽ። ዓቀብቲ ሕጊ ጣልያንን ስድራ እቲ መዋትን፡ ነዚ ናይ ግብጺ 'ብተራ ገበነኛታት እዩ ተቐቲሉ' ዝብል ሞገትን መግለጽን፡ ዘይነበረን ኮነ ተባሂሉ 'ዝተምሃዘን' ላግጺ እዮም ዝብልዎ። ገለ ምንጭታት ሰብ ሞያ ሕጊ ንሮይተርስ ከም ዝበልዎ፡ ዓቀብቲ ሕጊ ጣልያን ምርመረኦም ኣብዚ ሰሙን ከም ዝዛሙን ብሓይልታት ጸጥታን ስለያን ግብጺ ከም ዝተፈጸመ እኹል መረዳእታ ከም ዝረኸቡን እዮም ዝገልጹ። ብመሰረት ገለ ጸብጻብ ሚድያታት፡ ሬገኒ ቅድሚ ምቕታሉ ብኣባላት ጽጥታ ተታሒዙ ኣብ ልዕሊ ክልተ ወተሃደራዊ ናቑጣታት ተራእዩ ነይሩ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55136597"} {"headline":"ማላዊ፡ ሃገራዊ ፈተና ኦንላይን ክዝርጋሕ ብምግባር ዝተጠርጠሩ ተምሃሮ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም","content":"ኣብ ማላዊ ንተምሃሮ ካልኣይ ደረጃ ዝተዳለወ ሃገራዊ ፈተና ብኦንላይን ብምዝርጋሕ ዝተጠርጠሩ ተምሃሮ፡ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ተገሊጹ። እቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ተምሃሮ ልዕሊ 30 ከምዝኾኑ፡ ሃገራዊ ቦርድ ፈተና ማላዊ ኣፍሊጡ። እቲ ቦርድ፡ ገለ ቅዳሕ ናይቶም ፈተናታት ብኦንላይን ከምዝተዘርግሑ ኣብ ዝተፈለጠሉ እዋን፡ ህጹጽ ኣኼባ የካይድ ኣሎ። ኣቦ መንበር'ቲ ቦርድ ከምዝሓበሮ እንተኾይኑ፡ ዝውሰን ውሳነ ብድሕሪ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ወግዓዊ ክግበር'ዩ። ኣብ ማላዊ ንኻልኣይ ደረጃ ተምሃሮ ዝተዳለወ ፈተና ልሒኹ ብኦንላይን ክዝርጋሕ ምኽኣሉ፡ ኣብ ውጽኢት ፈተና ዘምጽኦ ለውጢ ከምዘይህሉ ዝሓበረ ቦርድ ሃገራዊ ፈተና፡ ነቐፌታታት ክቐርቡ ምኽንያት ከምዝኾነ ግን፡ ኣይሐብአን። ማላዊ ታይምስ ከምዝጸብጸቶ ድማ፡ ገለ ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዐሉ ተምሃሮ ተፈቲሖም ፈተና እናተፈተኑ እዮም። ኣብታ ሃገር ልዕሊ 154 ሽሕ ተምሃሮ ካልኣይ ደረጃ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሮም፡ ሃገራዊ ፈተና ይወስዱ ኣለዉ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54814481"} {"headline":"ኢትዮጵያዊ ዓይነ-ስውር ተመራቒ ተምሃራይ፡ ንምንታይ እዩ ንርእሱ ኣቃጺሉ?","content":"ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ታሕሳስ 25፡ ሓደ ዓይነ-ስዉር ተምሃራይ ሕጊ፡ ንገዛእ ርእሱ ቃጺሉ ከምዝሞተ ተሰሚዑ። ንመዋቲ ኣብርሃም ዱሬሳ ናይ ቀረባ ዓርኩ ዝነበረ ጣሰው ሃብታሙ፡ ብዛዕባ ጠንቂ ሞት ዓርኩ ንቢቢሲ ኣካፊሉ ነይሩ። ኣብራሃም ዱሬሳ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ዲላ ናይ ሕጊ ዲግሪ ድሕሪ ምውድኡ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ መልቀቒ ፈተና ይወስድ ከምዝነበረ ይዛረብ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክካየድ ዝነበሮ ፈተና፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ብምስግጋሩ፡ ክዳሎ ምጽንሑ'ውን ይገልጽ። እቲ ምስ ኣብርሃም፡ ኣብ ሓደ ቀጽሪ ገዛ ተኻርዩ ን5 ዓመት ዝነብር ዝነበረ ጣሰው ከምዝብሎ፡ ነቲ ፈተና ቅድሚ ምሟቱ ኣብ ዝነበረ ሰሉስ ክወስዶ ጀሚሩ። ክሳብ ሓሙስ ናይቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝወሰዶ ፈተናታት ሕጉስ ከምዝነበረ'ዩ ዓርኩ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ኣብታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ፈተና፡ ዓርቢ 25 ታሕሳስ ግን፡ ደንጒዩ ስለዝነበረ፡ ናይ ፈተና ኮዱ ረሲዑ ናብቲ \"ስድስት ኪሎ\" ተባሂሉ ዝፍለጥ 'ካምፓስ' ኣምሪሑ። ኣብቲ ቦታ ፈተና ክበጽሕ እንከሎ ድማ ገለ ደቓይቕ ኣሕሊፉ ነይሩ። \"እቲ ፈተና ኣይተወድአን፡ ተምሃሮ ኣይወጽኡን ነይሮም፡ እንተወሓደ 20 ደቓይቕ ተሪፉ ነይሩ\" ይብል ጣሰው። ንመራሕቲ ናይቲ ፈተና ንምእማንን ልቦም ንምልስላስን ዘይፈንቀሎ እምኒ ኣይነበረን፡ ይኹን እምበር ዝሰምዖ ኣይረኸበን። \"ምእታው ከምዘይፍቀድ ምስ ተነግሮ፡ ዘደንጎዮ ምኽንያት ብምግላጽ፡ ዓይነ-ስዉር ብምዃኑ ኣረኣእያ ብምግባር ክተሓባበርዎ'ኳ እንተለመነን፡ እንተበኸየ፡ ነቲ ፈተና ክወስዶ ኣይተፈቕደሉን\" ብሰንኪ'ዚ፡ ክበኪን ክበሳጮን ከምዝወዓለ፡ ጣሰው ይዝክር። ኣዕሩኽቱ ከጸናንዕዎ'ኳ እንተፈተኑ፡ \"በቃ ናይ ዕድለይ መወዳእታ'ዩ፡ ዓይነ-ስውር እንተ ዘይተማሂሩ ውጽኢታዊ ኣይከወንን'ዩ\" እንዳበለ ይበኪ ምንባሩ'ዩ ዓርኩ ይዛረብ። ምሸት ናብ ገዝኡ ክኣቱ እንከሎ፡ ፈተውቱ ከዕርፍ ዝኣተወ'ዩ መሲልዎም። ይኽን እምበር፡ ንሱ ገዝኡ ዓጽዩ፡ ኣብ ነብሱ ላምባ ነስኒሱ፡ ኣብ ከባቢኡ ዝቃጸል ነገራት ብምቕራብ ንገዛእ ርእሱ ሓዊ ወሊዑላ ይብል ጣሰው። ኣብቲ ቀጽሪ ዝነበሩ ጎረባብቲ፡ ካብ ድቃሶም ተበራቢሮም፡ ንማዕጾ ገዝኡ ደፊኦም ብምእታው ነቲ ሓዊ ኣጥፊኦም፡ ናብ ለካቲት 12 ሆስፒታል ምስ ተወስደ፡ ብኸቢድ ነዲዱ ብምንባሩ ናብ ቀዳም ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ሰዓት 7 ሂወቱ ሓሊፋ። ስለምንታይ'ዩ ኣብርሃም ንበይኑ ክነብር መሪጹ? ኣብርሃም ዱሬሳ፡ ብዓል ሓዳር ኮይኑ፡ ብዓልቲ ቤቱ ነፍሰጾር ብምዃና፡ ኣብ ውርሒ መስከረም ክትወልድ ናብቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ቤተሰባ ምኻዳ ጣሰው ንቢቢሲ ሓቢሩ፥። ብሰንኪ'ቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ግጭት ድማ፡ ኣብርሃም ንበይኑ ክነብር ተገዲዱ። ንሳ ድማ፡ ወሊዳ፡ ተጠሚቓ ክትምለስ ምስ ሓሰበት፡ በረራ ስለዝተቛረጸ ተደናጉያ። ጣሰው፡ ብሞት ዝፈትዎ ዓርኩ ዝተሰምዖ ሓዘን ከቢድ ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ። ኣብ ሆስፒታል ምስኡ ዝነበረ፡ ኣቶ ኣሸብር ገብረሂወት ከምዝብሎ፡ ቀዳም ንጉሆ ትንፋሱ ከምዘይሓለፈት፡ ይኹን እምበር ኣካላቱ ምሉእ ብምሉእ ተቓጺሉ ከምዝረኣዮ ይዛረብ። ፕረዚደንት ማሕበር ዓይነ-ስዉራን ኢትዮጵያ፡ ኣቶ ወሰን ኣለሙ፡ ኣብቲ ማሕበር ን3 ዓመታት ከምዘገልገለ ብምሕባር፡ ቅድሚ ሕጂ'ውን፡ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ፡ ምስ ጥንቃቐታት ኮቪድ-19 ብዝተሓሓዝ ግጉይ ሓበሬታ፡ ብተመሳሳሊ መንገዲ ሓደ ዓይነ-ስዉር ርእሱ ኣቃጺሉ ከምዝሞተ ገሊጹ። ኣብርሃም ዱሬሳ፡ ደንጒዩ ብምምጽኡ ናብ ፈተና ኣይትኣቱን ኢኻ ምባሉ፡ ሕጊ ካብ ዘይምፍላጥ ዝመጸ'ዩ ይብል ኣቶ ወሰን። \"ዓለምለኻዊ ሕጊ ኣካለስንኩላን ዝተመጣጠነ ምትሕብባር ይብል'ዩ\" ብምባል፡ ንኣካለ ስንኩላን ናይ ሰዓት፡ ቦታን ምጥጣሕ ክግበረሎም ማለቱ ክኸውን ከምዝኽእል ይገልጽ። እቲ ንኣብርሃም ዘጋጠሞ ጌጋ'ዩ ብምባል ዝዛረብ ፕረደዚንት ማሕበር ስንኩላን፡ \"እቲ ፈተና ዝህብ ኣካል ንከምዚ ዝበለ ኣገባብ ክህልዎ ነይሩዎ\" ይብል። ፌደረሽን ኣካለስንኩላን ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣብርሃም ዱሬሳ ዝተወስደ ስጉምቲ ሰብኣውነት ዝጎደሎ ብምዃኑ፡ መንግስቲ ተኸታቲሉ ስጉምቲ ክወስድ ሓቲቱ'ሎ። ቢቢሲ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ናብ ክፍሊ ሕጊ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ፡ እቲ ጉዳይ ንዕኦም ከምዘይምልከት ገሊጹ። እቲ ይምልከቶ'ዩ ዝተባህለ ትካል ፈተናታት ብወገኑ፡ መልሲ ክህብ ፍቓደኛ ኣይኮነን።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55503879"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ሃገር ለኸ ፈተና 12 ክፍሊ ሎሚ ክወሃብ ጀሚሩ","content":"ናይ 2012 ዓ.ም መዛዘሚ ካልኣይ ብርኪ ፈተና 12 ክፍሊ፡ ካብ ሎሚ 29 ለካቲት 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ክወሃብ ተጀሚሩ። ብሰንኪ ኮቪድ-19 ናብ’ዚ ዓመት ዝተሰጋገረ ናይ 2012 ዓ.ም ሃገራዊ ፈተና፡ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክሳብ 2 መጋቢት 2013 ዓ.ም እዩ ከወሃብ ተባሂሉ። ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ተምሃሮ ኣብ ውሽጢ’ቲ ክልል ኣብ ዝርከቡ ኣርባዕተ ዩኒቨርሲታት ከምዝወስዱ፡ ሚኒስተር ትምህርቲ ከምዘፍለጠ ዝዝከር እዩ። እቶም ተፈተንቲ ፈተነኦም ዝወስድሎም ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፡ ዩኒቪርሲታት መቐለ፣ ኣክሱም፣ ዓዲግራትን ራያን ከምዝኾኑ ምፍላጥ ተኻኢሉ። ኣብቲ ክልል ብዘሎ ስግኣት ጸጥታን ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ትምህርቲ ዕንወት ስለዝበጽሐን፤ እቶም ተምሃሮ ኣብ ዝቐርቦም ዩኒቨርስቲታት ክወስዱ እዩ ተወሲኑ። ምክትል ሓላፊት ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ፡ ኢንጂነር ኣስቴር ይትባረክ ከምዝበለቶ፡ ናይ ምፍታንን ዘይምፍታንን ናይ’ቶም ተምሃሮን ወለዶምን ምርጫ ምዃኑ ወሲኻ ተዛሪባ። ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን ክወስዱ ዘይተመቸዎም ተምሃሮ፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ክፍተኑ ከምዝኽእሉ ሓቢራ። ሚኒስትር ትምህርቲ፡ እቲ ብኦንላይን ክወሃብ መደብ ተታሒዝሉ ዝነበረ ናይ 2012 ሃገርለኸ መልቀቒ ፈተና፡ ብወረቐት ከምዝወሃብ ቅድም ክብል ኣፍሊጡ ነይሩ። ኣብቲ እዋን፡ ሚኒስትር ትምህርቲ ጌታሁን መኩርያ [ፒ ኤች ዲ] ብኦንላይን ክወሃብ መደብ ተታሒዝሉ ዝነበረ ሃገርለኸ ፈተና፡ ብሰንኪ ኮሮና እቶም መፈተኒ ታብሌታት ናብ ዓዲ ክኣትዉ ከምዘይከኣሉ ገሊጹ ነይሩ። ቅድም ክብል ግን፡ ሚኒስትር ትምህርቲ፡ ነቲ ፈተና ብኦንላይን ንምሃብ ክዳሎ ምጽንሑ ምግላጹ ዝዝከር እዩ። ሚኒስትር ትምህርቲ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ናብ 2012 ዓ.ም ናይ 12 ክፍሊ መልቀቒ ፈተና ናብ ወርሒ ታሕሳስ ዘዛወረ ኮይኑ፡ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ንካልኣይ ግዘ ናብ ወርሒ 29 የካቲት 2013 ዓ.ም ምንውሑ ዝዝከር እዩ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56321727"} {"headline":"ኣብ ሓድሽ መንግስቲ ሱዳን ንዘሎ ፍልልይ ዘቃልዐ መምሃሪ መጽሓፍ","content":"እቲ ንነዊሕ ዓመታት ንሱዳን ዝመርሐ ፕረዚደንት ዑመር ኣል-በሽር ድሕሪ ምእላዩ ዝተርኣየ ዳንኬራ፡ ስራሓት ምሕያል ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምትእትታው ዓቢ ጻዕሪ ይግበር ኣሎ። እንተኾነ፡ ኣብቲ ገለ ሃይማኖታዊ ስእልታት ዝሓዘለ ሓድሽ ካሪክለም ተፈጢሩ ዘሎ ግጥም፡ እቲ ግዚያዊ መንግስቲ ስዒብዎ ንዘሎ ኣሰካፊ መገዲ ዘቃልዕ ኮይኑ'ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ሓደ መስጊድ ኣብ ዝነበረ ናይ ዓርቢ ጸሎት፡ ሓደ ኢማም፡ \"ኣላህ፡ ኣላህ፡ ኣላህ\" ድሕሪ ምባል፡ እቶም ኣብቲ መስጊድ ዝነበሩ ሰብኡት፡ ናይቲ ውሩይ ቀባኢ ሚካኤል ኣንጀሎ ቅብኣ 'ፍጥረት ኣዳም' ኣብቲ ሓድሽ ዝተዳለወ ናይ ታሪኽ መምሃሪ መጽሓፍ ምክታቱ ተቓውሞኦም ከስምዑ ጸዊዑ። ኢማም መሓመድ ኣል-ኣሚን ኢስማዒል፡ እቲ ኣብ ቤተክርስትያን ሲስቲን ቻፕል ቫቲካን ዝርከብ ቅብኣ ናይ መናፍቓን ምዃኑ ይኣምን። እቲ ኢማም፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዜና ሱና፡ ሓደ ካብቶም ኣማዕበልቲ እቲ ሓድሽ ካሪክለም ምስ ዝኾነ ዑመር ኣል-ቃራይ ቃለ መሕትት ብምግባሩ'ውን ነቒፉ። ዑመር ኣል-ቃራይ ንኣረሜንን ኣምላኽ ኣልቦነትን ከም ዘሰጉም እቲ ኢማም ይኸስስ። ድሕሪ ዘረባ እቲ ኢማም፡ ብዙሓት ደገፍቲ በሽር ዝኾኑ ኢማማት፡ ኣንጻር እቲ ሓድሽ ካሪክለምን ኣል-ቃራይን ጎስጓስ ንምጅማር ምስኡ ሓቢሮም ኣለው። ኣባልት ስድራ ኣል-ቃራይ ናይ ሞት ምፍርራሓት ብደብዳበ ከም ዝበጽሖም ሓቢሮም። ብድሕሪ'ዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ እቲ ሓድሽ ካሪክለም ንግዚኡ ክውንዘፍ ኣዚዙ። ኣባል እቲ ገስጋሳዊ ትርጓመ እስልምና ዝኽትል ጉጅለ 'ሪፓብሊካዊ ኣሕዋት' ዝኾነ ኣል-ቃራይ፡ ተቓውሞኡ ንምግላጽ ካብቲ ካሪክለም ናይ ምምዕባል ስራሓት ንርእሱ ከም ዘግለለ ኣፍሊጡ። ንሱ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ንዕኡን ንኻልኦት ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ዕሽሽ ብምባል ነቶም ጥሩፋት ደገፍቲ ኣል-በሽር ዝኾኑ ጉጅለታት እስልምና ጥራይ ከም ዝሰምዐ ይነግር። ንታሪኽ መበል 19 ክፍለ ዘመን ሱዳን ብኸመይ ክዝንቶ ከም ዘለዎ'ውን ዘይምርድዳእ ኣሎ። እቲ ዝቕጽል ወለዶ እንታይ ክመሃር ይግባእ ዝብል ምጉት ኣብቲ ሓድሽ መንግስቲ ዝርከቡ ዝተፈላለየ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ወጥሪ ፈጢሩ ኣሎ። ገለ ኣባላት ናይቶም ኣብ ገለ እዋን ምስ ኣል-በሽር ርክብ ዝነበሮም ዕጡቓት ጉጅለታት ዝነበሩ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ካሪክለም ንምውንዛፍ ንዝወሰዶ ስጉምቲ ብሓጎስ ተቐቢሎምዎ ኣለው። ንኣብነት ደቁ ኣብ ኖርዌይ ዝርከቡ ኣባል ምንቅስቓስ ፍትሕን ማዕርነትን ዝኾነ ሱሌማን ሳንዳል፡ ንሓምዶክን ነቲ ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ሚኒስተር ፋይናንስ ኮይኑ ዝተመዘዘን ንደቁ ኣብ ብሪጣንያ ካብ ሃይማኖት ነጻ ዝኾነ ትምህርቲ ክመሃሩ ዝገብርን ዘሎ ጅብሪል ኢብራሂም ደጊፉ ኣሎ። እንተኾነ ግና ብኣምስሉነት ይኽሰስ። ስርዓት ሸሪዓ ፈለማ ኣብ መስከረም 1983 ኣብ እዋን ፕረዚደንት ጃፋር ኑመሪ እዩ ናብ ሕጊ ሱዳን ተኣታትዩ። እቲ ፖሊሲ ሓደ ካብ ቀንዲ ምኽንያታት ናይቲ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር (ኣብዚ እዋን ሃገረ ደቡብ ሱዳን) ንነዊሕ ዝጸንሐ ኲናት ሓድሕድ እዩ። ብድሕሪኡ ኣብ እዋን እቲ ብደሞክራስያዊ መገዲ ዝተመረጸ ሳድቕ ኣል-ማህዲ፡ እስላማዊ ሕጊ ንሰለስተ ዓመታት ተወንዚፉ እኳ እንተነበረ፡ ኣል-በሽር ኣብ 1989 ብእስላማዊ ሰልፊ ተሓጊዙ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ምስ ሓዘ ዳግማይ ተግባራዊ ኮይኑ። እቲ ንኣል-በሽር ዝተክአ ግዚያዊ መንግስቲ ሱዳን ነቲ ዘየሰማምዕን ምስ ዕጡቓት ደቡብ ኮርዶፋን ቀንዲ ምኽንያት ጎንጺ ዝኾነን ጉዳይ ሸሪዓ ንምፍታሕ ምዕጥይጣይ የርኢ ኣሎ። ካብቶም ዕጡቓት እቲ ብቐንዲ ዝጥቀስ፡ ኤስፒኤልኤም-ኤን (SPLM-N) ኮይኑ፡ መንግስቲ ካብ ሃይማኖት ነጻ ብዝኾነ መገዲ ነቲ ጉዳይ ክርእዮ ይሓትት። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ መንግስቲ ምስ እስላማውያን ይመሻጠር ከም ዘሎ ብምኽሳስ ኣብ መንጎ ካልኦት ውድባት ንዝተበጽሐ ናይ ሰላም ስምምዕ ነጺግዎ። ብዙሓት ኣመንቲ ክርስትናን ኣስላም ዘይኮኑ ህዝብን ኣብ ዝርከቡሉ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ኤስፒኤልኤም-ኤን (SPLM-N) ምእንቲ እቶም ፖለቲካውን ቁጠባውን ተነጽሎ ዝበጽሖም ወገናት ይቃለስ። ብከፊል ዝተላዕለ እገዳ ኣልኮላዊ መስተ እቲ ሓድሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ገለ ለውጥታት ገይሩ'ሎ። ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣቢሉ፡ ወላ'ኳ ንኣመንቲ እስልምና ሕጂ'ውን ክልኩል እንተኾነ፡ ኣስላም ዘይኮኑ ሰባት መስተ ክሰትዩ ንዘየፍቅድ ሕጊ ኣልይዎ'ዩ። ገለ ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ ግና፡ ካብ ካርቱም ውጽእ ኢልካ ኣብ ዘርከቡ ከባቢታት ንዝሰኸሩ ሰባት ምግራፍን ምእሳር ኣልኮል ዘዳልው ሰባትን ኣየቋረጸን ኣሎ። መራሕቲ ኤስፒኤልኤም-ኤን (SPLM-N) መሰላት ኩላቶም ብፍላይ ድማ ኣስላም ዘይኮኑ ሰባት ኣብ ሱዳን ዝኽበር፡ ካብ ሃይማኖት ነጻ ዝኾነ መንግስቲ ብምምስራት ምዃኑ ይኣምኑ። በዚ መገዲ ኣብ መላእ እታ ሃገር ፍትሓዊ ዝኾነ ዝርግሐ ሃብትን ሓይልን ዘረጋግጽ ቁጠባዊ ፕሮግራም ክዳሎ ከምዝኽእል ይገልጹ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56053661"} {"headline":"መራሕቲ ኬንያን ብሪጣንያን ንትምህርቲ ዝውዕል 5 ቢሊየን ዶላር ንምትእኽኻብ ጎስጓስ ክጅምሩ'ዮም","content":"ቀዳማይ ሚኒስትር ብሪጣኒያ ቦሪስ ጆንሰንን ፕሬዝደንት ኬኒያ ኡህሩ ኬኒያታን ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ 5 ቢሊየን ዶላር ገንዘብ ንምርካብ ጻውዒት ከቕርቡ እዮም። እዚ ገንዘብ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዚያዳ ንሓደጋ ንዝተቓልዑ ህጻናት ንምምሃር ዝውዕል ከም ዝኾነ ተገሊጹ። ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ቑጽሪ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ዝቦኽሩ ህጻናት ብዝለዓለ መጠን ወሲኹ እዩ። ትካል ትምህርቲ፣ ባህልን ሳይንስን ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኔስኮ) ኣብ ዓለም ኣስታት 1.3 ቢሊየን ተመሃሮ ካብ ትምህርቲ ከም ዝቦኾሩ ይገልጽ። ሰብ ሞያ ድማ፡ እዞም ተምሃሮ ብምኽንያት ኣብተን ሃገራት ዘሎ ቑጠባዊ ዓቕሚ ዳግም ናብ ትምህርቶም ንከይምለሱ ይኽእሉ’ዮም ክብሉ የጠንቅቑ። እዞም ክልተ መራሕቲ፡ ኣብ መፋርቕ 2021 ነዚ ዝጅምሩዎ ምትእኽኻእ እቶት ዝሕግዝ ጉባኤ ትምህርቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያ ከም ዘካይዱ ገሊጾም። በዚ ቑጽሪ ናብ ቤት ትምህርቲ ዝኸቱ ተመሃሮ ንምዕባይ ከም ዝተለሙ ኣፍሊጦም ኣለዉ። ቅድሚ ኮሮናቫይረስ፡ ኣስታት ርብዒ ቢሊየን ህጻናት ካብ ትምህረቲ ቦዂሮም ነይሮም። እዚ ቑጽሪ፡ ብምኽንያት እቲ ለበዳ ኣብ ወርሒ ሚያዚያ እተን ኣብያተ ትምህረቲ ምስተዓጸዋ ብሽዱሽተ ዕጽፊ ወሲኹ። እዚ ብፍላይ ኣብ ድኻ ዓድታት ዝርከቡ ህጻናት ተመሃሮ ዚያዳ ተቓላዕቲ ክኾኑ ገይሩዎም’ዩ። ደቂ ኣንስትዮ ግዳያት ምኽንሻብ፣ ትሕቲ ዕድመ መርዓን ኣብ ዘይዕድሚአን ነፍሰ ጾር ክኾናን ከም ዝተራእየ ክግለጽ እንከሎ፡ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ድማ ብፍላይ ኣብ ጎንጺ ዝርኣየለን ከባቢታት ብዕጡቓት ጉጅለታት ይምልመሉ ምህላዎም ተሓቢሩ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54505572"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ‘30 ምኢታዊት ኣብያተ ትምህርቲ ተኸፊተን’","content":"ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ንኣዋርሕ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ትምህርቲ ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ሰኑይ ብኽፋል ተጀሚሩ’ሎ። ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ንጋዜጠኛታት ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘማልኣ 30 ሚኢታዊት ዝኾና ኣብያተ ትምህርቲ ናይ’ታ ሃገር ተምሃሮአን ተቐቢለን ክምህራ ከም ዝጀመራ ገሊጹ። ኣብ ክልል ትግራይ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ፈተና ንዝወስዱ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ዝምህራ 98 ኣብያተ ትምህርቲ፡ ምምሃር ከም ዝጀመራ ተገሊጹ። ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ገብረመስቀል ካሕሳይ (ዶ\/ር)፡ ኣብ ሓደ ክፍሊ 25 ተምሃሮ ጥራይ ይመሃሩ ምህላዎም ገሊጹ። እንተኾነ፡ ካብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ከም’ቲ ንኻልኦት ክልላት ዝተዋህበ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከም ዘይበጽሖም እቲ ሓላፊ ተዛሪቡ። ኮይኑ ግና፡ ትካል ትእምት ንተምሃሮ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ኣቕሪቡልና ኢሎም። ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን’ውን ብተመሳሳሊ ትምህርቲ ብኽፋል ጀሚሩ’ሎ። ቢሮ ትምህርቲ ክልል ኦሮሚያ፡ ካብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ 20 ሚልዮን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከም ዝተቐበለን ናብ ኣብያተ ትምህርቲ የከፋፍል ምህላዉን ገሊጹ’ሎ። ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ኣምሓራ ብወገኑ፡ ካብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝተልኣኸሎም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን መብዛሕትኡ ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ተኸፋፊሉ እዩ ኢሉ። ተምሃሮ ርሕቐቶም ክሕልዉ ተባሂሉ፡ ኣብ ሓደ ወንበር ሓደ ተምሃራይ ጥራይ ኮፍ ክብል ከም ዝተገበረ’ውን ገሊጹ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54613384"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ ትምህርቲ ብኽፊል ክጅመር እዩ","content":"ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ 98 ኣብያተ ትምህርቲ፡ 12 ክፍሊ ካብ 9 ጥቅምቲ 2013 ዓ\/ም ግእዝ ጀሚሩ ስሩዕ ክፍለ ግዜ ምምሃር ከም ዝጅምራ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ዶክተር ገብረመስቀል ካሕሳይ ንጋዜጠኛታት ገሊጾም። ከም ኣገላልጻ እቶም ሓላፊ፡ ተምሃሮ 12 ክፍሊ፡ ኣብ 2012 ዓ\/ም ግእዝ ዝተወንዘፈ ትምህርቲ፡ ቅድሚ ሃገራዊ ፈተና ምውሳዶም ንሓደ ወርሕን ፈረቓን ክመሃሩ እዮም። ኣብ ኮሌጃት መሰልጠኒ መምህራን ዓድዋን ዓብዪ ዓዲን ኣቋሪፆም ዝነበሩ ተመረቕቲ ተምሃሮ ድማ ካብ 11 ጥቅምቲ 2013 ዓ\/ም ጀሚሮም ትምህርቶም ክከታተሉ እዮም። ኮይኑ ግና ተምሃሮን መማህራንን ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝሕግዙ መንገድታት ከም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን፣ ሳኒታይዘር፣ ኣልኮልን ካልኦትን ብዝግባእ ክጥቀሙ ከምዝግባእ ተገሊፁ ኣሎ። ንናውቲ መከላኺሊ ኮሮና ቫይረስ ዘድሊ ወፃኢ ብዝዓበየ ብትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት) ከምዝሽፈን እውን እቶም ሓላፊ ገሊፆም። ዝተረፉ ብርኪ ክፍሊታት ድማ ኩነታቱ እናተራእየ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ጥቅምቲ ክጅመር ከምዝግበር ዶ\/ር ገ\/መስቀል ገሊጾም ክብል ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ዘውፀኦ ሓበሬታ ይገልጽ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድም ክብል፡ ኣብ ወረዳታት ገጠርን ቀበሌታትን ዝርከቡ አብያተ ትምህርቲ፡ ኣብ ቀዳማይ ዙር ብ19 ጥቅምቲ 2013 ዓ\/ም፡ ኣብ ኩሎም ከተማታት ዞባን ክልልን ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ኣብ ካልኣይ ዙር 16 ጥቅምቲ 2013 ዓ\/ም ትምህርቲ ክጅምሩ ሓሳብ ከምዘቕረበ ይዝከር። ብተወሳኺ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ፍሉይ ዞባ ክልል አሮምያን ኣብ ሳልሳይ ዙር 30 ጥቅምቲ 2013 ትምህርቲ ክጅመር ሓሳብ ቀሪቡ ነይሩ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54581543"} {"headline":"ምሉእ ሰብነቱ ብውቃጦ ዝሸፈነ መምህር ንተምሃሮ መዋእለ ህፃናት ከየምህር ተኣጊዱ","content":"ሲልቫይን ሄላይን፡ ሰብነቱ፣ ገፁን መልሓሱን ምሉእ ብምሉእ ብውቃጦ ዝተሸፈነ እዩ። እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ኩዕሶ ዓይኑ'ውን ብመጥባሕቲ ብፀሊም ሕብሪ ለኽይዎ'ሎ። ወዲ 35 ዓመት ሲልቫይን ኣብዚ እዋን ልዕሊ ሽድሽተ ዓመት ንዝዕድሚኦም ተምሃሮ ቀዳማይ ብርኪ ኣብ ምምሃር ይርከብ። ይኹን'ምበር ጓላ ናይታ ብምኽንያት ውቃጥኡ ጥርዓን ዘቕረበት ኣደ፡ ንሱ ከምዘይምህራ ብምሕባር፡ ናህቱ ተምሃሮ ግና ንውቃጥኡ ብፅቡቕ ከምዝርእይዎ ተዛሪቡ። እቲ ውልቀሰብ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ \" ካብ ርሑቕ ዝርእዩኒ ሰባት ጥራሕ እዮም፡ ብዛዕባ ውቃጦይ ሕማቕ ነገር ዝሓስቡ\" ኢሉ። 'ፍሪኪ ሁዲ' ብዝብል ሳጓኡ ዝፍለጥ ሲልቫይን፡ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ቤት-ትምህርቲ ፓላይሲያው የምህር ከምዝነበረ እዩ ዝገልፅ። ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ወዲ ሰለስተ ዓመት ህፃን ንዕኡ ምስ ረኣየ ለይቲ ከምዝብህርር ንወለዱ ስለዝተዛረበ፡ ወለዲ ንምምሕዳር እቲ ቤት-ትምህርቲ ቅረታ ከምዘቕረቡ ተዛሪቡ። ድሕሪ ክልተ ወርሒ ድማ፡ ምምሕዳር እቲ ቤት-ትምህርቲ፡ ኣብዚ ክሊ ዕድመ ንዝርከቡ ህፃናት ከምህር ከምዘይኽእል ምስ ነገርዎ፡ ከምዝሓዘነ ገሊፁ። ፍሪኪ ሁዲ፡ ውቃጦይ፡ እቶም ተምሃሮይ ንኻልኦት ካብኦም ፍልይ ዝበሉ ቆልዑ ንክቕበሉ ዝሕግዞም እዩ ኢሉ ይኣምን። \"ንዓይ ዝርእዩ ህፃናት፡ ምክእኣል ንክመሃሩ ይሕግዞም እዩ። ምስ ዓበዩ ብዝተወሰነ መልክዑ፡ ዓሌታውያንን ከምኡ'ውን ንሕደ ፆታውያን ዝፀልኡ ኣይኮኑን። ጉድኣት ኣካል ንዘለዎም ሰባት ድማ፡ ሰርከሳዊ ምርኢት ከምዘርእዩ ገይሮም ኣይርእይዎምን\" ኢሉ። ሲልቫይን ምሉእ ሰብነቱ ብውቃጦ ንምሽፋንን ዓይኑ ብፀሊም ሕብሪ ንምትካእን 460 ሰዓታት እዩ ወሲድሉ። ሕብሪ ዓይኑ ብፀሊም ቀለም ንምትካእ ኣብ ፈረንሳይ ሕጋዊ ብዘይምዃኑ ድማ፡ ናብ ስዊዘርላንድ ክኸይድ ተገዲዱ እዩ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54338424"} {"headline":"ቆልዑ ክልተ ዓመት እንከለዉ፡ ንፈተና መእተዊ ዩኒቨርሲቲ ዝዳለው ኮርያውያን","content":"ኣብ ደቡብ ኮርያ፡ ኣስታት 500 ሽሕ ተምሃሮ ፈተና መእተዊ ዩኒቨርሰቲ ይወስዱ። እዚ ፈተና ኣዝዩ ከቢድን መጨነቕን ከም ዝኾነ ይዝረብ። ለበዳ ኮሮናቫይረስ ድማ ንጭንቀት እቶም ተምሃሮ ካልእ ጸቕጢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ፈተና፡ ‘ኮሌጅ ኤቢሊቲ ቴስት’ ወይ’ውን ሰንኣግ ይብሉዎ። ሸሞንተ ሰዓታት እዩ ዝወስድ። ኣብ ሽዱሽተ ክፍልታት ዝወሃብ ናይ ኮርያ ቋንቋ፣ ሒሳብ፣ ኢንግሊዝኛ፣ ታሪኽን ማሕበራዊ ሳይንስን ዘጠቓለለ ፈተና’ዩ። እቶም ተመሃሮ፡ ኣብየናይ ክፍሊ ትምህርቲ ከም ዝምደቡን ናበየናይ ዩኒቨርሲቲ ከም ዝውዝዑን በዚ ፈተና ይውሰን። ስለ ዝኾነ ድማ፡ እቶም ተመሃሮ ጥራይ ዘይኮኑስ ወለዲ’ውን ነዚ ፈተና ዝህቡዎ ቖላሕታ ልዑል’ዩ። ካብ ክልተ ዓመት ጀሚሩ ምድላው ዝግበረሉ ፈተና እዚ ፈተና ክጅመር እንከሎ ሃገር ብምልእታ ኣፋ ከፊታ ብትኹረት እያ ትከታተሎ። ብድምጺ ዝተሓገዘ ፈተና ክወሃብ እንከሎ፣ ተመሃሮ ከይርበሹ ብዝብል ከባብያዊ ጸጥታ ዘኽብሩ ሰብ ሞያ ይዋፈሩ። ወለዲ ደቆም ናብቲ ፈተና ዝወሃበሉ ቦታ ክሳብ ዘብጽሑ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ዘንጊዖም ይኽፈቱ። ወተሃደራዊ ስልጠና ደው ይብል፤ ዕዳጋ ኣክሲዮን’ውን ካብ’ቲ ልሙድ ዘንጊዑ እዩ ዝጅመር። ወለዲ፡ ደቆም ነዚ ፈተና ክዳለው ዝገብሩ ገና ህጻናት እንከለው ኣትሒዙ’ዩ። መብዛሕትኦም ቆልዑ ኣርባዕተ ዓመት ኮይኖም፤ ገሊኦም ድማ ገና ቖልዑ ክልተ ዓመት እንከለው ነዚ ፈተና ክዳለው ይግበር። ደቡብ ኮርያ፡ ለበዳ ኮቪድ-19 ከቢድ ጸቕጢ ካብ ዘየሕደረለን ሃገራት ሓንቲ እያ። ክሳብ ሕጂ 35 ሽሕ ዜጋታት ጥራይ’ዮም በቲ ቫይረስ ሞይቶም። ካልኦት ልዕሊ 500 ድማ ሞይቶም። ናይ’ዚ ዓመት ተፈተንቲ፡ በዚ ሕማም ንከይልከፉ መንግስቲ ልዑል ጥንቃቐ ገይሩ’ዩ። እቶም ንፈተና ዝቐርቡ ተምሃሮ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀሙ ግድን’ዩ። እቶም ወናብር ከኣ ብፕላስቲክ ተጋሪዶም ክፈላለዩ ይግበር። ናብ’ቲ መፈተኒ ቦታ ቅድሚ ምእታዎም ናይ ሰብነቶም መጠን ዋዒ ስለ ዝዕቀን፡ ረስኒ ዘለዎም ንበይኖም ተፈልዮም’ዮም ዝፍተኑ። ተፈተንቲ፡ መግብን ማይን ሒዞም ክመጽኡ ይግባእ። ኣብ ናይ ዕረፍቲ ሰዓቶም ከውግዑ ፍጹም ክልኩል’ዩ። ተምሃሮ እዚ ኹሉ ጸቕጢ ከይፈጥረሎም ይሰግኡ፤ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ንርእሱ ትኹረቶም ዝሰርቆም ዝመስሎም ብዙሓት’ዮም። ሓንቲ ተመሃሪት ንቢቢሲ ኮርያ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ እቲ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን “ትኹረተይ ዝሰርቀኒ’ዩ ዝመስለኒ” ኢላ። እዛ ጓል 18 ዓመት ኦ ይዎን ጁ “ኣብቲ ናይ ፈተና መዓልቲ ረስኒ ከም ዝውስኽ ሰሚዐ’የ። እቲ ማስክ’ውን ጽቡቕ ስምዒት ክስምዐኒ ኣይገብርን” ኢላ። እቶም ወናብር ኣዝዮም ዝተረሓሓቑ ምዃኖም’ውን ንብዙሓት ተምሃሮ ስግኣት ፈጢሩሎም’ዩ። “ኣብቶም ብፕላስቲክ ተሸፊኖም ዝተረሓሓቑ ወናብር ኾይንና ናይ ፈተነ ፈተና ወሲድና ነይርና። እቲ ወንበር ጸቢቡኒ፤ እቲ ፕላስቲክ ከኣ ናብ ርእሰይ ወዲቑ ነይሩ፤ ተጨኒቐ። መሓዙተይ’ውን ጨኒቑዎም’ዩ” ክትብል ስግኣታ ትገልጽ ጓል 18 ዓመት ሊ ሳንግ ዎት። ንሳ፡ ዓበይቲ ወረቓቕቲ እትግንጽለሉ እኹል ቦታ እኳ ከምዘይትረክብ እያ ትዛረብ። መንግስቲ ኣሎ ድዩ? ፕሬዝደንት ሙን ጄይ ኢን፡ ተምሃሮ ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን ነዚ ፈተና ክወስዱ ስለ ዝተገደዱ ይቕሬታ ሓቲቱ። ይኹን’ምበር፡ እታ ሃገር ኣብ ወርሒ ግንቦት ብዘይ ዝኾነ ጸገም መረጻ ከም ዘካየደት ይዝከር። እዚ፡ ኣብቲ ሃገራዊ ፈተና ዝወሃበሉ ግዜ ዝድገም ዓወት ከም ዝኾነ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር እምነት ኣለዎም። እዚ ፈተና፡ ህይወት ናይ’ቶም ተመሃሮ ዝቕይር ስለ ዝኾነ ክሰጋገር ኣይኽእልን እዩ ዝብሃል። “መላእ ዓለም ነዚ ፈተና እዩ ዝከታተል ዘሎ” ዝበለ እቲ ፕሬዝደንት፡ ዕውት ብዝኾነ መገዲ ከም ዝዛዘም ተዛሪቡ። ብዙሓት ሃገራት፡ ብምኽንያት እዚ ለበዳ፡ ሃገራዊ ፈተና ዝወሃበሉ መዓልቲ ናብ ካልእ እዋን ክሰጋገር ገይረን እየን። ቅርታ ዘልዓሉ ሰብ ሞያ ጥዕና ደቡብ ኮርያ’ውን ኣለው። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮርያ ክኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ፕሮፌሰር ኪም ውጁ፡ “490 ሽሕ ተፈተንቲ ኣለውና። 23 ሽሕ ሰባት ከኣ ተቖጻጸርቲ እዚ ፈተና’ዮም። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወለዲ ደቆም ነዚ ፈተና ንክሓልፉ ናብ ቤተ እምነት ከይዶም ይጽልዩ” ክብል እዚ ፈተና ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ገሊጹ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55198401"} {"headline":"ንተምሃሮ ዝጨወዩ ዕጡቓት 'ኣብ ከበባ ኣትዮም' ተባሂሉ","content":"ሰራዊት ናይጀርያ ነቶም ካብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ተምሃሮ ጨውዮም ንዝወሰዱ ዕጡቓት ኣብ ከበባ ከምዘእተዉ ወሃቢቓል ፕረዚደንት ሙሓማዱ ቡሃሪ ኣፍሊጡ። 10 ተምሃሮ በቶም ዕጡቓት ተታሒዞም ከምዘለዉ ዝሓበረ ወሃቢ ቓል ጋርባ ሸሁ፡ እዚ ቑጽሪ ግን ካብቲ እቶም ዕጡቓት ነቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዘጥቁዑሉ እዋን ደሃዮም ተሳኢኑ ዝተበሃሉ ብዝሒ ተምሃሮ ኣዝዩ ውሑድ ምዝኾነ ገሊጹ። ኣብቲ ደቂተባዕትዮ ጥራሕ ዝመሃሩሉ ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ኣስታት 800 ቆልዑት ተመዝጊቦም ይመሃሩን ይነብሩን ምንባሮም ይግለጽ። ዳርጋ ፍርቆም ድማ ደሃዮም ጠፊኡ’ሎ። እቲ ወሃቢ ቓል ከምዝበሎ እንተኾይኑ፡ እቶም ዕጡቓት ነቶም ተምሃሮ ዝጨወዩሉ ምኽንያት ገንዘብ ቤዛ ንምሕታት ክጥቀሙሎም’ዩ። መንግስቲ’ውን ሸፋቱ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸምዎ ይገልጽ። ኣብ ሰሜናዊ ናይጀርያ ጥራይ ኣብ ፈላሞት ሽድሽተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት [2020 ኣ.ኤ] ልዕሊ 1 ሽሕን 100 ሰባት ብሸፋቱ ከምዝተቐተሉ መረዳእታ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሸናል የመልክት። መንግስቲ ድማ ነቶም ሸፋቱ ናብ ሕጊ ብዘይምቕራብ ይንቀፍ። ኣብ ናይጀርያ ስግኣታት ድሕነት እናወሰኸ ይመጽእ ምህላዉ ኣብታ ሃገር ወኪል ቢቢሲ ዝኾነት ማየኒ ጆነስ ሓቢራ። ንሳ ከምእትብሎ፡ ሰሜን-ምዕራብ ንሰባት ጨውዮም ገንዘብ ቤዛ ብዝሓቱ፤ ሰሜን-ምብራቕ ብእስላማዊ ዕጡቓት ከምኡ’ውን ኣብ ደቡብ ናይጀርያ ካብ ነደዲ ዝርከብ ኣታዊ ዝለዓለ ብጽሒት ዝጠልቡ ጉጅለታት ብዝፍጽምዎ መጥቃዕቲታት ስግኣት ጸጥታ ኣሎ። ምስቲ ኣብ ግዝኣት ካጺና ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ ድማ፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝተኣኻኸቡ ወለዲ፡ መንግስቲ ንደቆም ኣብ ምድላይ ክሕግዞም ይምሕጸኑ ምህላዎም ሮይተርስ ሓቢሩ። ኣቡባካል ላዋል ዝተበሃለ ኣቦ ካብ ሰለስተ ደቁ እቶም ክልተ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ይመሃሩ ከምዝነበሩን ደሃዮም ከምዝተስኣነን ተዛሪቡ። እቶም ዕጡቓት ዝተሓብኡሉ ጫካ ፈሊጠዮ ኣለኹ ዝበለ ሰራዊት ናይጀርያ ምስኦም ከምዝተታኾሰ ብቐዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። ነቶም ተምሃሮ ንምትራፍ ኣብ ዝካየድ ወፍሪ “ብዙሓት ወተሃደራት” ከም ዝሳተፉ ድማ ወሃቢ ቓል ፕረዚደንት ሙሓማዱ ቡሃሪ ተዛሪቡ። “ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ፡ እቶም ዕጡቓት ከምዝተሓብኡ ኣብ ዝኣመኑሉ ቦታ የተሓባብሩ ኣለዉ። ነቲ ከባቢ ብምሉእ ከቢቦምዎ”ዮም” ኢሉ ሸሁ። ፕረዚደንት ሙሓማዱ ቡሃሪ ናብቲ ከባቢ ከይዱ ብዛዕባ’ቲ ነቶም ቆልዑ ንምድሓን ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ መብርሂ ተዋሁብዎ’ሎ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55298855"} {"headline":"ተመራቖ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ 'ኣብ ክልተ ወርሒ ተማሂሮም ክምረቑ እዮም'","content":"ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ትምህርቲ ኣቋሪጾም ዝጸንሑ ዩኒቨርሲቲታት ካብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ተመረቕቲ ተምሃሮ ንምቕባል ምድላዋት ይገብሩ ከምዘለዉ ሚኒስትሪ ሳይንስን ላዕለዋይ ትምህርትን ኣፍሊጡ። ዩንቨርሲቲታት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ከተማ ሃዋሳ ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ እዮም ነዚ ውሳነ ወሲኖም። ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ናይ'ቲ ሚኒስትሪ ደቻሳ ጉርሙ፡ እቶም ተመረቕቲ ተምሃሮ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ጥቅምቲ ክኣትዉን፡ ኣብ 2 ወርሒ ትምህርቶም ክዛዝሙን ከምዝተወሰነ፡ ናይቲ ለበዳ ኩነታት ተራእዩ ድማ ዕጫ ናይቶም ካልኦት ተምሃሮ ከምዝውሰን ሓቢሩ። ኩሎም ዩኒቨርሲቲታት፡ ካብ ጥቅምቲ 23 ክሳብ 30 \/2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ቀዳማይ ዙርያ ተምሃሮ ከምዝቕበሉ’ውን ተጸብጺቡ ነይሩ። ኣብታ ሃገር ንዝሓለፉ 7 ኣዋርሕ፡ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ትምህቲ ከምዝተቛረጸ ዝዝከር እዩ። ቢቢሲ ዘዘራረቦ ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ዶ\/ር ሓሰበን የሱፍ፡ በቲ ዝተጠቕሰ ዕለት ንተመረቕቲ ተምሃሮ ጻውዒት ክገብር ምዃኑ ተዛሪቡ። ዩኒቨርሲታት ሃሮማያን መደወላቡን ብተመሳሳሊ፡ ናይቲ ሕማም ዝርገሐ ንምቁጽጻር ኣድላይ ጥንቃቐታት ክግበር ምዃኑን፡ ተመረቕቲ ተመሃሮ ንምቕባል ምድላዋት ይግበር ከምዘሎን ተዛሪቦም። ቅድሚ እቲ ለበዳ ምእታዉ፡ ብሰንኪ ጎንጽታትን ሰላም ምስኣንን፡ ኣብ ገለ ዩኒቨርሲታት ትምህርቶም ብዛዕባ ዘቋረጹ ተምሃሮ ድማ ሕቶ ይለዓል ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብ ክልል ኦሮምያን ክልል ኣምሓራን ኣብ ዝርከቡ ዩኒቨርሲታት፡ ገለ ተምሃሮ ትምህርቶም ኣቋሪጾም ነናብ መንበሪ ገዘኦም ምምላሶም ዝዝከር እዩ። ካብቶም ተምሃሮ ገሊኦም ተመሊሶም እኳ ናብ ዩንቨርሲቲ እንተኣተዉ፡ ውሑዳት ስግኣት ዝነበሮም ግን ብኡ ተሪፎም እዮም። መብዛሕተኦም ፈላማይ መንፈቕ ትምህቲ ከይዛዘሙ ብምውጸኦምን 'ዊዝድረዋል ፎርም' ከይመልኡ ብምኻዶምን ብኸመይ ከምዝረአዩ ዛጊድ ሚኒስተር ትምህርቲ ዘሕለፎ ውሳነ ከምዘየለ ዶ\/ር ሓሰን ተዛሪቡ። ርክበ ህዝቢ ዩኒቨርስቲ መደወላቡ ዶ\/ር ፈለቀ ረጋሳ ግን፡ ብሰንኪ ጎንጽታት፡ ትምህርቶም ኣቋሪጾም ዝነበሩ ተምሃሮ 75 ሚኢታዊ ናብ ትምህርቶም ከምዝተመለሱ ተዛሪቡ። ኣብ ልዕሊ እቶም መጸዋዕታ ተገይሩሎም ከይተመለሱ ዝተረፉ ተምሃሮ ድማ፡ 'ሴኔት' ብሕጊ መሰረት ከምዝውስን ይዛረብ። ንዐኦም ንበይኖም ተባሂሉ ዝወጽእ ዝተፈለየ ሕጊ ኣይህሉን ድማ ኢሉ። ርክብ ህዝቢ ሚኒስትሪ ሳይንስን ላዕለዋይ ትምህርትን አቶ ደቻሳ ጉርሙ፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብዛዕባ እዚ ዛጊድ ዝበሎ ነገር ከምዘየለን “በቲ ሕጊ ግና፡ ክተኣናገዱ ኣይክእሉን” ኢሉ። ብዝሒ ናይቶም ተምሃሮ ተራእዩ፡ ውሳነ ከምዝወሃቦን፡ ይኹን’ምበር ካብ ሓደ ክልል ናብ ካልእ ክልል ኣይከድን ዝብል ተምሃራይ \"ተቐባልነት የብሉን\" ኢሉ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54688897"} {"headline":"መሃይምነት፡ ስለምንታይ እዩ \"ዘይተማህረ ነየድሕን ዘይተወቕረ ነየጥሕን\" ዝበሃል?","content":"ሎሚ ኣህጕራዊ መዓልቲ ምጥፋእ መሃይምነት እዩ። መልእኽቲ እዚ ዓመት ከአ ብደሆ ፊደል ምቑጻር ኣብ እዋን ኮቪድ እዩ። እዚ ንዓለምና ኣሻቒሉዋ ዘሎ ኮቪድ-19 ኣብ ስርዓት ምምሃርን ምስትምሃርን ዓቢ ብደሆ ፈጢሩ እዩ። ብፍላይ ኣብ ምጥፋእ መሃይምነት፡ እቶም ፊደል ዝቖጽሩ፡ ቖልዑን እቶም ኣብ ንእስነቶም ዕድል ትምህርቲ ዘይረኸቡ ዓበይትን ስለዝኾኑ ዝኸበደ ብደሆ ኣለዎ። ቅድሚ ኮቪድ እውን ኣብ ፖሊሲ ምጥፋእ መሃይምነትን ክዉንነትን ዓቢ ጋግ ጸኒሑ እዩ። ኣሎ። እዚ ሕጂ ዝተኸሰተ ለበዳ ከኣ ነቲ ፍልልይ ኣግዲዱዎ ኣሎ። ምስ ክስተተ ኮቪድ መደባት ትምህርቲ ናይ ኣጕባዝን ማዮም-ዝሰተዩ ሰባትን ዳርጋ ኣይነበረን ክበሃል ይከኣል። እቲ ከም ሓዲሽ ቅዲ ትምህርቲ ዝተኣታተወ ማንዛዊ ኣገባብ ትምህርቲ\/ ብኢንተርነት ብተለቪዥን ረድዮን ዝተፈተነ ናይ ምስትምሃር ፈተነ በብቑሩብ ዝዓቢ ዘሎ ይመስል። ግን ነዊሕ ጻዕሪ ክድልዮ እዩ። ኣብዚ ዕማም፡ ተራ መምህራን ኣገዳሲ እዩ። ውጽኢታዊ ፖሊሲታት ኣብ ምቕራጽን ብቑዕ ምሕደራ ኣብ ምሕንጻጽ ኩሉ ዝምልከቶ ክዋሳእ ኣገዳሲ እዩ። እዛ ዕለት ሸሞንተ መስከረም ብ1966 ከም ኣህጕራዊ መዓልቲ ምጥፋእ መሃይምነት ኰይና ብዩነስኮ ዝተመረጸትሉ ምኽንያት ንኣህጕራዊ ሕብረተሰብ ኣድላይነት ምጥፋእ መሃይምነት ኣጕሊሑ ከርኢ ብማለት እዩ። ኣብ መስከረም 2015 ከኣ መንግስታት ዘላቒ ትምህርቲ ኣብ ኵሉ ንክባጻሕ መራሕቲ ዓለም ተቐባልነት ሂቡምዎ። እቲ \"ዘላቒ ዕብየት\" ዝተሰምየ ቀንዲ ዕላማ ከኣ ንኣጕባዝን ማዮም ንዝሰተዩ ሰባት እኹል ትምህርቲ ቈጸራ-ፊደልን ቍጽርን ናበየ ቦትኡ ምብጻሕ'ዩ። ወፈራ ምጥፋእ መሃይምነት ኣብ ብረታዊ ተጋድሎ ኣብ ስሳታት ስልጣን ዝሓዙ መራሕቲ ሃገራትን ተቓለስቲ መሰልን ናጽነትን ውድባት ምጥፋእ መሃይምነት ከም ቀንዲ ኣካል ቃልሶም ገይሮም ይርእዩዎ ብምንባሮም ኣጸቢቖም እዮም ዝሰርሕሉ ነይሮም። ተቓለስቲ ናጽነት ህዝባዊ ግንባርን ተሓኤን ከምኡ እውን ተቓለስቲ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ህወሓትን ካልኦት ውድባትን ንተጋደልቶምን ህዝብን ክረኽቡዎ ብዝኽእሉ መምሃሪ ፊደላት ኣብ ሑጻ ከይተረፈ እናጸሓፉ ንኣባላቶም ምጽሓፍን ምንባብን ከምህሩዎም ከምዝጸዓሩ ኣብ ታሪኽ ተሰኒዱ እዩ። እቲ ኣብ 1974 ንንጉስ ሃይለስላሰ ኣልዩ ስልጣን ዝተረከበ ማሕበርነታዊ ስነ-ሐሳብ ዝኽተል ዝነበረ ስርዓት ደርግ እውን እንተኾነ \"እድገት በህብረት ዘመቻ\" ዕቤት ብሕብረት ብዝብል ወፍሪ ንተማሃሮ ላዕለዋይ ደረጃን ዩኒቨርሲቲን ኣብ ፈቐዶ ገጠራት ኢትዮጵያን ከተማታት ኤርትራን ወፊሮም ምጥፋእ መሃይምነት ከምዘምህሩ ገይሩ። በቲ ተግባር ከኣ ምስጋና ረኺቡ። ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ እቶም ኣብ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ሳሕል ተማሂሮም ሻብዓይ ሻምናይ ዝበጽሑ መንእሰያት ናብ ሓውሲ ሓራ መሬት ኤርትራ ወፊሮም ኣብ ርሑቕ ገጠራት ንዝርከቡ ቖልዑን ፊደል ዘይቆጸሪ ዓበይትን ካብ ሃድን ጸላኢ እናተኸወሉን እናተኸላኸሉን ብረቶም ተሓንጊጦም ይምህሩ ነይሮም። ሓያሎ ካብኣቶም ከኣ እናመሃሩ እንከለው ሃንደበት ጸላኢ ሓደጋ ስለዝወድቆም ተዋጊኦም ዝስውኡን ተወጊኦም ዝተማረኹን እውን ነይሮም። እቲ ብልዕሊ 450 መንእሰያት ተጋደልቲ ኣብ 1983 ኣብ ሓውሲ ሓራ መሬት ኤርትራ ዝተኻየደ ወፈራ ትምህርቲ ንኣስኣት 3,000 ተምሃሮ ነይሮምዎ። ዶክ. ለስ ጎተስማን ዝተባህለ ጸሓፊ ንኣብነት ኣብታ \"ምቅላስን ምምሃርን\" (To Fight and Learn) ዘርእስቱ መጽሓፉ፡ ኣብ ድሕሪ ጸላኢ ኰይኖም፡ መሳርዮኦም ተሓንጊጦም፡ ንሓረስቶትን ሰበኽ ሳግምን\/ ዘላንን ንኣዴታትን ቖልዑን ፈደል ክምህሩ ህርድግ ይብሉ ነይሮም ክብል ይገልጾም። ንሱ ጥራሕ ዘይኮነ ግን እቶም መንእሰያት ተጋደልቲ ንህዝቢ እናመሃሩ ንባዕላቶም እውን ብቐጻሊ ይመሃሩን ዓቕሞም የዕብዩን ነይሮም እዮም። ጎትስማን ነቲ ወፈራ ምጥፋእ መሃይምነት ብ \"ምውህሃድ ደረተ-ትርኢት\" ኢዩ ዝገልጾ። እቲ ገስጋሲ ራእይ ቃልሲ ምስ ባህላዊ ሸነኻት ኤርትራ ተጻሚዱ፡ ምስ ህዝቢ ኣብ ዘተን፡ ናይ እንካን-ሃባን ልዝብን ዝፈጥር ንጥፈት ይፈጥር ምንባሩ ይዛረብ። ኣብ እዋን ናጽነት ኣብ ኤርትራ፡ 58% ካብ ደቂ ተባዕትዮ ከምኡ'ውን 28% ካብ ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ'ዮም ከንብብን ክጽሕፍን ዝኽእሉ ዝነበሩ። ብ 1999፡ ሚድያ መንግስቲ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ መጠን ናብ 67% (ካብ ተባዕትዮን) 39% (ካብ ኣንስትዮን) ክብ ኢሉ። ጸኒሑ፡ ብ 2017፡ እቶም ማዮም-ዝሰተዩ፡ ሰብ ማእከላይ ዕድመን ልዕሊኡን ማሃይምነት ዜጥፍኡ ዜጋታት ናብ 80% ክብ በለ። ቤት ትምህርቲ ሰውራን - ጽባሕን ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብዙሕ ጻዕሪ ዝፈሰሶም ብ\"ቤት ትምህርቲ ሰውራ\" (ኣብ ህዝባዊ ግንባር) ብ\"ጽባሕ\" ከኣ (ኣብ ተጋድሎ ሓርነት) ስም ዘትረፉ ናይ ትምህርቲ ትካላት ነይሮም። እቲ ብቤት ትምህርቲ ሰውራ ዝፍለጥ ንብውግእ ዝዘኽተሙ ቖላዑ፡ ዑቕበኛታት፡ ደቂ ተጋደልቲ፡ ንክጋደሉ ዝተጸንበሩ (ትሕቲ-ዕድመ) ...ወዘተ ተባሂሉ፡ ኣብ 1976 ኣብ ዜሮ ሳሕል ጀሚሩ፡ ምስ ኩነታት ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ግዒዙ፡ ዳሕራይ ኣብ ስንጭሮታት ዓራርብ (ኦሮታ)፡ ኣብ ክዱን ቦታታት ዝረግአ ቤት ትምህርቲ እዩ። እቲ ቤት ትምህርቲ ዋላኳ ኣብ ሕቡእ ሰናጭሮ በግራብ ኣብ ዝተኸወለ ትሕቲ መሬት ኣባይቲ ዝተሰረተ እንተነበረ ብሰንኪ ደብዳብ ነፈርቲ ሓያሎ ቖልዑ ከምዝተጎድኡ ተማሃሮ ናይቲ እዋን ይገልጹ። ብወገን ተጋድሎ ሓርነት'ውን ንቖልዑን ንፊደል ዘይቘጸሩን ትምህርቲ ይወሃብ ነይሩ'ዩ፣ ብመዓስከር ጽባሕ ዝፍለጥ ብ 1977 ኣብ ሃዋሸይት (ጋሽ-ባርካ) ዝተመስረተ ክሳብ 1981 ከኣ ኣገልግሎት ይህብ ነይሩ። ተሓኤ ንሱዳን ምስ ኣተወት ከኣ እቲ ትምህርቲ ኣብ ሱዳን እውን ቀጺሉ እዩ። ቅድሚ ገድሊ ምጅማሩ ዝተኻየደ ወፍሪ ትምህርቲ ብግዜ መግዛእቲ ጣልያን መጠናዊ ወፍሪ ትምህርቲ ተኻዪዱ ነይሩ'ዩ። ገዛእቲ ዘገልግልዎም ተለኣኣኽቲ፡ ጸሓፍቲ፡ ተርጐምቲ፡ዓሰክር የድልይዎም ስለ ዝነበሩ ነቶም ኣፋፍኖት ዝነበሮም ዜጋታት ትሕት ዝበለ ትምህርቲ እናስነቑ የምህርዎም ነበሩ። ብተወሳኺ ሚስዮናት ካቶሊክን ከኒሻን ፊደል ምሂሮም፤ መምህራን ሰበኻን መጽሓፍ ቅዱስን የፍርዩ ነበሩ። ሓደ ካብ'ቶም ኣቦታት ኤርትራ፡ መምህር ወልደኣብ ወልደማርያም'ዮም። ኣቦይ ወልድኣብ ኣብ ጕብዝንኦም ፊደል ቍጺሮም ኣብ መሃይምነት ዓቢ ተራ ዝተጻወቱ መምህር ነበሩ። ብ 1935 መጽሓፍ ፊደል ብምድላው ከኣ ዓቢ ኣበርክቶ ገበሩ። ኣርቶድክስያዊት ቤተ-ክርስትያን'ውን ብሸነኾም ንኣሽቱ-ንኣሽቱ ኣብያተ ትምህርቲ እናኸፈቱ፡ ብእንዳ ሃለቃ ዝፍለጡ፡ ፊደል ብምቑጻር ብርክት ዝበሉ ናይ ክህነት ሊቃውንቲ ኣፍርዮም እዮም። እቲ ብዙሕ ጊዜ ከይተጠቕሰ ዝሓልፍ ኣብ ናይ ምስልምና ኣመንቲ ዝነበረ ዓረባዊ መንቋሕቋሕታ'ዩ። ብቍጽሪ ፍርቂ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ፡ ብዙሓት ኣመንቲ ምስልምና፡ ብቁርኣን ስለ ዝዓበዩ ፊደል ዓረብ ብምቑጻርን መሃይምነት ብምጥፋእን ጽቡቕ ሰጕሞም ነይሮም። ትምህርቲ ቛንቋ ጣልያን እውን ኣብ ኤርትራ ሰጕሙ ነይሩ እዩ። መብዝሕትኦም ዓሰክር፡ ጸሓፍቲ፡ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት፡ ተርጐምቲ፡ ነጋዶ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኢጣልያውያን ኩባንያታት ተቈጺሮም ዝሰርሑ ዝነበሩ ዜጋታት ብቛንቋ ጣልያን ሰጒሞም ነይሮም'ዮም። መንግስቲ እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ ምስ ኣተወ'ውን ካልእ ኣማራጺ ስለ ዘይነበሮም ንነዊሕ እዋን ዳርጋ ብቛንቋ ጣልያን'ዩ ዝሰርሕ ዝነበረ። እቲ ሽዑ ዝነበረ ቢሮክራሲ ብጣልያን ተዓብሊሉ ስለ ዝነበረ፡ ዳርጋ ኵሎም ሰራሕተኛታት እንግሊዝ ናይ ጣልያን ዜጋታት ነበሩ። መሕልፎ ሽወዳናውያን ሚስዮናውያን ቛንቋ ትግርኛ ኣጽኒዖም ኣብ ምትርጓም መጽሓፍ ቅዱስ ዓቢ ተራ ገይሮም። ከም ሓቁ፡ ህላወ እንግሊዝ ጊዝያዊ'ዩ ነይሩ። ን 10-11 ዓመታት'ዮም ኣብ ኤርትራ ገዚኦም። ይዅን'ምበር፡ እንግሊዝ ቀስ ኢሎም ቤት ትምህርትታት ብምስራሕ፡ ፊደልን ክንዮ-ፊደልን ዜቝጽሩ መምህራን ብምስልጣን ንሓፋሽ ትምህርቲ ኣቕሪቦም'ዮም። ምትእትታው ቛንቋ ኣምሓርኛ ኣብ ኤርትራ ብጊዜ ፈደረሽን (1952-62) ኣብ ኤርትራ እቶም ቀንዲ ናይ ትምህርቲ ቛንቋታት ትግርኛ፡ ዓረብኛን ጣልያንን ነበሩ። ምስ ምልውዋጥ መንግስቲ ግን ኣምሓርኛ ቀስ እናበለ ክትኣታቶ ጀመረ። ፈደረሽም ምስ ፈረሰ'ሞ ኣምሓርኛ ብኣስገዳድ ቀዳማይ ስፍራ ሓዘ። ሽዑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምድምሳስ ትግርኛ፡ ዓረብኛን ጣልያንን ተዋፈረ። ኣብ ቤት ትምህርትታት ቛንቋ ኣምሓርኛ ብግቡእ ዘይተማህሩ መምህራን \"ለማ በገበያ\" ክምህሩ ተኣዘዙ፣ ገበርዎ ኸኣ። ናይ መንግስቲ ቤት ጽሕፈታት ከኣ ካብ ብጣልያንኛ ብኣምሓርኛ ክሰርሑ ተገደዱ፣ ኣቦታት ዳግማይ መሃይምነት ኣብ ምጥፋእ ተጸምዱ። መባእታ ትምህርቲ ኸኣ ብቕጽበት ናብ ኣምሓርኛ ተለወጠ። ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ እቶም ናይ ወተሃደራዊ መዓስከራት ጥራይ ነበሩ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝሰልጠኑ መምህራን እናተላእኩ ኸኣ ኵሉ ተምሃራይ፡ ይዕበ ይንኣስ፡ ኣምሓርኛ ክመሃር ተገደደ። ከምኡ እናበለ ኸኣ ቛንቋ ትግርኛ ተደቑሰ በንጻሩ ግን እቲ ኤርትራዊ ስምዒት እናዛየደ ኸደ። \"እድገት በህብረት\" ንጉስ ሃይለስላሴ ብደርጊ ኣብ ዝተተክእሉ እዋን ኣብ ኤርትራ ኣምሓርኛ ኣብ ፈቐድኡ ዳርጋ ይዝረብ ነበረ፣ ምናዳ ኣብ ኣብያተ ትምህርትታት። ደርጊ ኸኣ ብግዴኡ ዓቢ ናይ ምዕባሌን ማሃይምነት ምጥፋእን ወፈረ ብ \"ዘመቻ\" ዝፍለጥ ኣበገሰ። ዋላ'ኳ ዘመቻ ኣብ ኤርትራ ክሳዕ ክንድቲ ዕዉት ኣይንበር፡ ዳርጋ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተኻዪዱ'ዩ። ብኣንጻሩ ኣብ ኤርትራ ብኣብያ ትምህርትን ንመንግስቲ ዘይምእዛዝን ናዕብታት ብቐጻሊ ይካየዱ ነበሩ። መንእሰያት ከኣ ብብዝሒ ናብ ሜዳ ክውሕዙ ጀመሩ። ዝኾነ ዀይኑ፡ ደርጊ ናይ ማሃይምነት ምጥፋእ ኣብ ኤርትራ፡ ብሕልፊ ኣብ ከተማታት፡ የካይድ ነይሩ'ዩ። ኣዴታት ብግዲ፡ ብቐበሌ ተገዲደን ፊደል ክቘጽራ ጀመራ። ብዙሓት ከኣ ጽቡቕ ሰጐማ። ጋዜጣ 'ህብረት' ከንብባ ዝጀመራ'ውን ነይረን። ኣብ ግዳም ናብ ዝነበሩ ደቀን ደብዳቤ ክጽሕፋን ዝመጽአን ሰታሪት ከንብባን ዝበቕዓ'ውን ነይረን። ትምህርቲ መሰረት ኩሉ ምዕባለን ዕቤትን እዩ። ስለዝኾነ ከኣ እዮም ጠቕምን ኣገዳስነትን ዝተረድኡ ቀዳሞት ኣበዋት \"ዘይተማህረ ነየድሕን ዘይተወቕረ ነየጥሕን\" ክብሉ ዝመሰሉ። ንሱ ጥራሕ ግን ኣይኮነን። ኣብ ቋንቋ ኣምሓርኛ ንኣብነት፡ \"የተማረ ይግደለኝ\" ዝብል ብሂል ኣሎ። \"ዝተማህረ ይቕተለኒ\" ማለት እዩ ብተራ ትርጉም። ግን ንሱ ጥራሕ ኣይኮነን። ምናልባት ናብዚ ምሳለ ዘብጸሐ ምኽንያት \"ዝተማህረ ሰብ ክልተ ሳዕ ስለዘገናዝብ ጎዲኡ ኣይጎድኣካን እዩ\" ንምባል ከምዝተመሰለት እውን ይዝረብ እዩ። እቲ ኾይኑ እቲ ትምህርቲ መተካእታ ስለዘይብሉ ዋላ እውን ኣብ እዋን ኮቪድ ሰባት ንምስትምሃር ዝከኣል ጻዕሪ ክግበር ከምዝግባእ ዩኔስኮ የዘኻኽር።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/54052103"} {"headline":"ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረህይወት ካብ መዝነቶም ተኣልዮም","content":"ፕረዚደንት መቐለ ዩኒቨርሲቲ ኮይኖም ከገልግሉ ዝፀንሑ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረህይወት ካብ መዝነቶም ተኣልዮም። ፕሮፌሰር ክንደያ ካብ ግንቦት 2005 ዓ.ም(ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ) ኣትሒዞም ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምንባሮም ይፍለጥ። ካብ ፅባሕ መስከረም 5 ኣትሒዞም ካብ ስልጣኖም ከምዝተኣለዩ ድማ ሚኒስትር ሚኒስቴር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ዶ\/ር ሳሙኤል ኡርታቶ ዝፀሓፍዎ ደብዳቤ ስንብት ይገልፅ። ፕሮፌሰር ክንደያ ኣብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደን፡ መንግስቲ ፌደራል ዘይቅቡል ዝበሎን ሻድሻይ ክልላዊ መረፃ፡ ህወሓት ወኪሎም ኣብ ወረዳ እንደርታ ከምዝተወዳደሩ ይዝከር። ብኻሊእ ገፅ ዶ\/ር ገብረየሱስ ብርሃነ ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ኮይኖም ከምዝተሸሙ ሚኒስትር ዶ\/ር ሳሙኤል ኣብ ዝፀሓፍዎ ደብዳቤ ሽመት ገሊፆም።ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም፡ ብማዕረግ ብምክትል ፕረዚደንት ዶ\/ር ኪሮስ ጉዕሽ እዩ እናተመረሐ ፀኒሑ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ኩለን መንግስታዊ ዩኒቨርሲቲታት ብፌደራል መንግስቲ እየን ዝመሓደራ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54150815"} {"headline":"ጓል ኣንስተይቲ፡ 'ወላድየይ ጓለይ ኣይትምርዖን እናበለ ካብ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ኣትሪፉኒ'","content":"ፕሮፌሰር ሃረገወይን ኣሰፋ፡ ንትምህርቲ ድሩት ቆላሕታ ኣብ ዝነበሮ ከባቢ ወርዒ ተወሊዳ ዓብያ። መሓዙታ፣ ኣዝማዳን መተዓብይታን ጌና ሰብነተን ከይደልደለ፡ ኣብ ዝጻወታሉን ዝመሃራሉን ዕሸል ዕድሚኤን ኻልእ ሓላፍነት ናብ ዝስከማሉ መርዓ ትሕቲ ዕድመን ሓዳርን ይኣትዋ ነይረን። ወላዲ ኣቦ ፕሮፌሰር ሃረገወይኒ ግን \"ጓለይ፡ ኣቦይ-እዝጊ ወዲ እንተዘይወሊዶም፡ ኣይትምርዖን ክትመሃር እያ\" ይብሉ ምንባሮም ትዝክር። እንተኾነ፡ ሃረገወይኒ ከም መሓዙታ ከይተመርዓወት ናብ ቤት ትምህርቲ ብምኻዳ ኣይተመስገነትን። ዓሰርተ ክልተ ዓመት ኣቢላ ምስገበረት፡ ካብ ኣዝዩ ድሑር ባህላዊ እምነት፡ 'ጓል ኣሰፋስ ምክት ድያ ክትሕረድ' ክብሉዋ እናሰምዐት ዓብያ። ወላዲ ኣቡኣ ኣቶ ኣሰፋ ኣንጻር እዚ ድሑር ባህሊ ኮይኖም ዘብዐኛ ጓሎም ከም ዝነበሩ እትዛረብ ፕሮፌሰር ሃረገወይኒ፡ ኣቦይ፡ ዓቕመይ ስለዝገመተ እዩ ይመስለኒ፡ \"ጓለይ ክትመሃር ኣለዋ ኢሉ\" ካብቲ ክበጽሓኒ ዝኽእል ዝነበረ ጸቕጢ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ኣድሒኑኒ\" ትብል። ወለዳ፡ ኣብ እንዳ ኣቕሽሽቲ ፊደል ክትቖጽር ዝለኣኹዋ ጓሎም ኣብ ዘበናዊ ትምህርቲ እውን ጸብለል ዝበለት ተመሃሪት ኮነትሎም። \"ሽዑ ደቂ ኣንስትዮ ጽቡቕ ክሰርሓ ትጽቢት ስለ ዘይግበር፡ ኣነ ንፍዕቲ ምዃነይ ብዙሕ ኣፍልጦ ረኺቡ፤ መምሃራነይ ድማ ኣተባቢዖምኒ። ድሕሪኡ ዝኾነ ዓይነት ጸቕጢ ተጻዊረ ክሳዕ መወዳእታ ትምህርተይ ከየቋረጽኡ ኣዐዊተዮ\"። ጓሎም መሪቖም ናብ ቤት ትምህርቲ ዝለኣኹ ወለዳ ግን፡ ተመሃሪት ካልኣይ ብርኪ ምስ ኮነት ብሓደ ነገር ክስነፉ ተቓሪቦም። ብሓደ ሸነኽ ወፍሪ ቀይሕ ራዕዲ ዝተጀመረሉ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ቤት ትምህርቲ ጥርሑ ተሪፉ ብዙሓት መናእሰይ ናብ ገድሊ ዝወጽእሉ እዋን ስለ ዝነበረ፡ ብከቢድ ስግኣት ድሕነታ: ደሓን ትምህርቲ ይትረፈና በሉ። ሃረገወይኒ ዝነበርኣ ኣማራጺ ክልተ እየን፤ እቲ ኩነታት ተቐቢላ ጸኒዓ ትምህርታ ምቕጻል፡ ወይ'ውን ልክዕ ከምቶም ሓጺር ስረ ዓጢቖም፣ ሽርጥ ጠምጢሞም ብረት ክስከሙ ንመስዋእቲ ናብ በረኻ ዝወፈሩ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባ-ዕትዮን ናብ ሜዳ ምውራድ። ሃገረወይኒ፡ እታ ቐዳመይቲ ምርጫ ወሲዳ፤ ትምህርታ ክትቕጽል ናብ ዓድዋ ቤት ትምህርቲ ንግስተ ሳባ ከደት። \"ሽዑ ንኣቦይ ለሚነ'የ ከይደ፤ ናብ ዓድዋ ግን ሬሳ እናረገጽኩ'የ ኣትየ። ለይቲ ጠያይቲ ክትኮስ ስለ ዝሓድር፡ ይውጋሕ ኣይውጋሕ እንፈልጦ ነገር ኣይነበረን፤ ተመሊስካ ክትሓስቦ ከለኻ ዘሰቅቕ'ዩ\" ትብል። በቲ እዋን፡ ኣብ ትግራይ ዩኒቨርሲቲ ስለ ዘይነበረ ትምህርትካ ንክትቕጽል ናብ ኣዲስ ኣበባ ምኻድ ድማ ካልእ ፈተና ኮይኑ መጽአ። ሃረገወይኒ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዝኸደትሉ እዋን ክትዝክር እንከላ፡ \"ኣብ መገዲ ድማ ኣብ መንጎ ደርግን ህወሓትን ውግእ ስለ ዝነበረ ብርእስና ጠያይቲ እናተወንጨፉ ህይወትና ባዕሉ ኣብ ሓደጋ እዩ ነይሩ\" ትብል። ፕሮፌሰር ሃረገወይኒ ኣሰፋ፡ ብተፈጥሮይ ትምህርቲ ከቢዱኒ ኣይፈልጥን እያ ትብል። ብሒሳብን ኬሚስትርን ድማ ዝለዓለ ነጥቢ ተምጽእ ነይራ። ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተወት [ብ1973 ዓ.ም ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ]፡ ክፍሊ ትምህርቲ ፋርማሲ መሪጻ ብምእታው ብጸብለልታ ነጥቢ ተመሪቓ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ካብቲ ዪኒቨርሲቲ ተመሪቓ ምስ ወጽአት ግን ቀልጢፋ ሓዳር መስሪታ፤ ኣደ ክልተ ቆልዑን መምህር እቲ ዩኒቨርሲቲን ኮነት። ንትሸዓታ ዓመታት መምህር ፋርማሲ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኮይና ዝሰርሐት ፕሮፌሰር ሃረገወይኒ፡ ደረጃ ትምህርታ ንምዕባይ \"ናጻ ትምህርቲ ዕድል ረኺበ ትምህርተይ ክቕጽል ኣለኒ\" ዝብል ባህጊ ይመላለሳ ስለ ዝነበረ እቲ ዕድል ክሳዕ እትረክብ ብሙሉእ ልባ ደቂሳ ኣይትፈልጥን። ድሕሪ ትሸዓተ ዓመት ድማ እቲ ዕድል ረኺባ፡ ናብ ኣሜሪካ ክትኸይድ ግድን ኮነ፤ ህጻውንቲ ቖልዑኸ መን ክርእዮም? \"እቲ ዕድል ከምልጠኒ ስለ ዘይደለኹ፡ ከቢድ ግን ድማ ትኽክለኛ ዝብሎ ውሳኔ ወሲነ። መዓንጣይ ኣሲረ መዓዝ ከም ዝምለስ ከይፈለጥኩ ደቀይ ገዲፈዮም ከይደ፤ ከም ኣደ ተመሊሰ ክሓስቦ ከለኹ ብጣዕሚ ከቢድ ግን ትኽክለኛ ውሳነ ነይሩ\" ትብል። በዚ ምኽንያት፡ ደቃ ክትኣልየላ ሓደራ ሂባታ ዝኸደት ኣላይት ከይተረፈት ቅርታ ተሰምዓ፤ ሰባት ርህራሀ ዘይብላ ክሳዕ ዝመስሎም እዚ 'ጭካነ' እዩ ኢሎም ቅርታ ሓደሮም። \"ምስ ከድኩ ሰሲዐ ድየ? ትኽክል ድየ? ደቀይ ገዲፈዮም መጺአ ኣለኹ፤ እንታይ ዓይነት ህይወት ክህልዎም ይኸውን? ዝብል ሕልናዊ ሞጎት ይገጥመኒ ነይሩ\" ዝበለት ፕሮፌሰር ሃረገወይኒ፡ ምስ ነብስኻ መኺርኻ ዝወሰንካዮ ውሳነ ካብ ደገ ብዝበጽሑኻ ጸቕጥታት ተፍርሶ እንተኾይንካ ግን ንድሕሪት'ዩ ዝጎተካ ትብል። \"ንሰብ ሓቂ ሃልዩካ ዘይክተእምን ሓቂ ዘይብልካ ድማ ክተእምን ትኽእል ኢኻ፤ ንሕልናኻ ግን ክተዐሽዎ ኣይትኽእልን። ብዘይሸፍጢ እትውሰኖ ድማ ኩል ግዘ ሓይሊ ይህበካ'ዩ\" ብማለት ብውሳንኣ ከም ዘይትጠዓስ ትገልጽ። ፕሮፌሰር ሃረገወይኒ ዝረኸበቶ ናጻ ዕድል ትምህርቲ ሳልሳይ ዲግሪ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሚሲሲፒ ኮይኑ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኤምባሲ ኣሜሪካ ንደቃ ጥራሕ ስለ ዘፍቀደሎም ሰብኣያ ተሪፉ ንደቃ ወሲዳቶም። ትምህርቲ ወዲእኻ ክትምረቕ፣ ልዕሊ 10 ሰዓት ኣብ ቤተ ፈተነ ጸኒሕካ መሊስካ ቖልዑ ክትኣሊ ግን ቀሊል ኣይነበረን። \"ብተፈጥሮ ትምህርቲ ከቢዱኒ ኣይፈልጥን፤ መነባብሮ እዩ ንትምህርቲ ዝጎቶ። ሚሲሰፒ ድማ ንኡሽቶን ኢትዮጵያውያን ዘይብሉን ከተማ ብምኻኑ ቖልዑ ሒዝካ ኣብ ቤተ ፈተነ ምውዓል እምበር ኣብ ትምህርቲ ኤን ቢን ምምጻእ ሽግር ኣይኮነን\" ኢላ። እዚ ነቲ ትምህርተይ ዕንቅፋት ክኸውን ተኽእሎ'ኳ እንተነበሮ ጥንካረ ስለ ዝነበረኒ ግን ንኹሉ ክጻወሮ ክኢለ እየ ዝበለት ፕሮፌሰር ሃረገወይኒ፡ \"ናተይ ምምሕያሽ ንደቀይ ምምሕያሽ'ዩ ኢለ ኣሚነ ስለ ዝኸድኩ፡ ድሕሪኡ ካልእ ናብራ ከይመስረትኩ ንእስነተይን ህይወተይን ንደቀይ ሂበ ኣብ ዝብጻሕ ኣብጺሐዮም እየ\" ኢላ። ናይ መጀመርታ ጓላ ብጋዜጠኝነት ወዳ ድማ ብኮምፒዩተር ቴክኖሎጂ ተመሪቖም ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ስራሕ ይርከቡ። እንተ እቶም ድርኺት እዚ ብትምህርቲ፣ ስራሕን ኣተሓሳስባን ዝወነነቶ ዓወትን ስብእናን ዝኾኑ ወላዲ ኣቡኣ ግን እዚ ኹሉ ዓወታታ ንምርኣይ ኣይተዓደሉን፤ ገና ተመሃሪት ካልኣይ ዓመት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኮነት'ዮም ሞይቶም። ንሳ ግን ክሳብ ሕጂ፡ 'ኣቦይ ዝወዓለለይ ውዕለታ' ክትብል ነናሻዕ ንምስጋና ተልዕሎም። ፕሮፌሰር ሃረገወይኒ፡ ብምህዞ መድሓኒት [ሜዲስናል ኬሚስትሪ] ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሚሲሲፒ ሳልሳይ ዲግሪ ተማሂራ። ቐጺሉ ካብ ሚሲሲፒ 100 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ቴኔሲ ብተወሳኺ ንሰለስተ ዓመት ድሕረ ዶክትሬት ስልጠናታት [ፖስት ዶክትሪያል ፌለውሺፕ] ወሲዳ። ድሕሪኡ ናብ ቦስተን ብምኻድ ኣብ ሓደ ጸረ ባክቴሪያ መድሓኒት ዘፍሪ ትካል ፋርማሲ ተቖጺራ ንሸውዓተ ዓመት ሰሪሓ። ናብ ምምሃር ምስትምሃር ተመሊሳ እውን ንትሸዓተ ዓመት ሰሪሓ። ኣብ ገዕዞኣ ጽኑዕ ሓሳብ ዝሃበትሉን ዲዛይን ዝገበረቶን ብምምሕዳር መግብን መድሓኒትን ኣሜሪካ ዝጸደቐ ጸረ ባክቴሪያ ፈጸጋ ምሂዛ። ምህዞኣ ብነሓሰ 2019 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳውያን]፡ ኣሜሪካን ኬሚካል ሶሳይቲ፡ ጀግና ኬሚስትሪ [ሂሮ ኦፍ ኬሚስትሪ] ንዝብል ሽልማት ኣብቂዑዋ። ኣብ ኒውዮርክን ካሊፎርኒያን፡ ብዝተፈላለየ ዓውዲ ምምሕዳር ተመሃሮን ትምህርትን ተሓጋጋዚትን ሙሉእ ፕሮፌሰርን ኮይና ሰሪሓ፤ ሕጂ፡ ድሕሪ 26 ዓመታት ናይ ኣሜሪካ ጻንሒት ጠቕሊላ ናብ ትውልዲ ዓዳ ተመሊሳ ኣላ። \"ኣብዚ ሰዓት ንዓደይ ምምላስ ብዙሕ ትርጉም ኣለዎ። ኣብኡ ኩሉ ልምዲ ምስ ረኸብካ ዓቂብኻዮ ካብ ምኻድ ወጻእ ካልእ ብዙሕ ትርጉም ኣይህልዎን፤ ኣብዚ ግን በዚ ልምድኻ ብዙሕ ነገር ክትገብር ትኽእል። ማሕበራዊ ናብራ'ውን ኣብዚ ጽቡቕ'ዩ\" ትብል። ፕሮፈሰር ሃረገወይኒ ኣሰፋ ኣብዚ እዋን ኣብ መቐለ ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል ነቲ ብትምህርቲ፣ ስልጠናን ስራሕን ዘኻዕበተቶ ፍልጠትን ተሞኩሮን ተካፍል ኣላ። ናብ ትግራይ ምስ ተመለሰት ብዙሓት ሙሉኣት ዘይኮኑ ነገራት ከም ዝረኸበት እተልዕል እታ ፕሮፌሰር፡ ብኣውርኡ ኣብ ጽርየት ትምህርትን ምኽባር መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ሰፊሕ ክፍተት ከም ዝተዓዘበት ትገልጽ። \"ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ዘሎ ጸቕጢ፣ ኣብ መናእሰይ ዝርአ ዘሎ 'ሳብስታንስ ኣብዩዝ' የጨንቐኒ። እቲ ናይ ስራሕ ባህልን ስነ-ምግባርን'ውን ብዙሕ ስለዘይማዕበለ ብዙሕ የተሓሳስበኒ\" ኢላ። ፕሮፌሰር ሃረገወይኒ፡ ነቲ ኣብ መቐለን ካልኦት ከተማታትን እቲ ክልል ዘሎ ምብዛሕ መሸጣ ኣልኮላዊ መስተታት እያ 'ኣብ መናእሰይ ዝወርድ ዘሎ 'ሳብስታንስ ኣቢዩዝ' ክትብል ትገልጾ ዘላ። ብኻልእ ወገን ናብ ኢትዮጵያ ካብ እትመጽ ንነጀው ኣብ ዘለው ጊዜያት ዝተዓዘብኩዎ እትብሎ 'ድኹም' ናይ ስራሕ ባህሊ ትነቅፍ። 26 ዓመታት ኣብ ኣመሪካን ኣውሮጳን ኣብ ዝጸንሐትሉ ግዜ 12 ሰዓታት ኣብ ስራሕ ቦታ ተሕልፎ ምንባራ ብምዝክኻር፡ \"ኣብዚ ግን መብዛሕትኡ ሰብ ን6ተ ሰዓት ጥራሕ ክሰርሕ ኢኻ ትርእዮ\" ብምባል \"ካብ ኩሉ ንላዕሊ ዘጨንቐኒ ናይ ስራሕ ባህሊ ዘይምህላው'ዩ\" ትብል። ወሲኻ፡ \"ሃፋትም ዓድታት ብውሑድ 8ተ ሰዓት እናሰርሓ ኣብ ድኻ ዓዲ ግን ን4 ወይ 5 ሰዓት ዝስራሕ እንተኾይኑ ኣበይ ከም ዝብጻሕ ኣይርድአንን። ኣነ ክለምዶ ዘይክእል ግን ብጣዕሚ ዘሕስበኒ ነገር'ዩ። ምሳይ ዝሰርሑ ዘለው ቅኑዓትን ሰብ ክእለትን እዮም፤ ግን ነዚ ዓቕምን ክእለትን መዝሚዙ ናብ ረብሓ ከውዕል ዝኽእል ኣሰራርሓ የለን። ናይ ስራሕ ባህልና እንተዘይተመሓይሹ ሓደገኛ እዩ\" ኢላ። ኣብዚ እዋን ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ትምህር ከም ዘላን ብቐጻሊ ስርዓተ ትምህርቲ እቲ ክልል ኣብ ምምሕያሽ ከም እትነጥፍን ኣውጊዓትና። ተበጻሕነት ትምህርቲ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ'ኳ እንተሃለወ እቲ ጽርየት ግን ጎዲሉ'ዩ ዝብል ገምጋም ዘለዋ ፕሮፌሰር ሃረገወይኒ፡ እቲ ንትምህርቲ ዝወሃብ ትኹረት \"መሽሚሹ'ዩ\" ክትብል ትገልጾ። ካብዚ ብዝብገስ፡ \"ከምዚኦም ዝበሉ ማሕበራዊ ክሳራታትን ናይ ትምህርቲ ጸገማትን ኣብ ምዕራይ እየ ከተኩር ዝደሊ\" ትብል።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51781506"} {"headline":"መሬቱ ንመስርሒ ቤት-ትምህርቲ ዘወፈየ ኣፍጋኒስታዊ","content":"ኣፍጋኒስታዊ ዋኪል ሻህ፡ ኣብ ከባቢኡ ዝቕመጣ ዕሸላት ደቂ ኣንስትዮ ዕድል ትምህርቲ ስለዘይረኽባ 65 ሽሕ ዶላር ዘውጽእ መሬቱ ንመስርሒ ቤት ትምህርቲ ብናጻ ኣወፍይዎ። ንሱ እተን ኣብኡ ዝመሃራ መንእሰያት ተማሂረን ሓካይምን መምህራንን ክኾና እዩ ትምኒቱ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53405265"} {"headline":"ኣመሪካ፡ ብሓደ ተማሂረን ኣብ ሓደ ሆስፒታል ዝሰርሓ ኣዶን ጓልን ዶኳትር","content":"መበቆለንን ትውልደንን ጋና ዝኾና እዘን ኣደን ጓልን፡ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ኣብ ሓደ ዩኒቨርሲቲ ብሓደ ተምሂረን፤ ብሓደ ተመሪቐን ኣብ ሓደ ሆስፒታል ተቖጺረን። በዚ ድማ ፈላሞት ኮይነን ኣለዋ። እተን ኣደን ጓልን፡ ነዚ ናይ ፈላማይ ታሪክ ዝሰርሓ፡ ኣብ ሃገረ ኣመሪካ ሊዊዝያና ኣብ ዝተብሃለ ግዝኣት እዩ። እታ ሲንቲያ ኩጂ ዝትበሃል ኣደ፡ ኣብ ጋና ከተማ ኬያንሲ ተወሊዳ ናብ ኣመሪካ ዝኸደት እያ። ምስ በኹሪ ጓላ ናይ ሕክምና ትምህርቲ ኣጽኒዓ ድማ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ተመሪቐን፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ሓደ ዓብዪ ሆስፒታል ተቖጺረን ኣለዋ። ኣብዚ እዋን፡ ንምሉእ ህዝቢ ዓለም ብፍላይ ድማ ንኣመሪካ ዘርዓደ ሕማም ኮሮናቫይረስ ኣብ ግንባር ኮይኖም ይቃለሱ ካብ ዘለዉ ሰብ ሞያ ሕክምና ድማ፡ ንሳተን ይርከበኦም። እታ ኣደ፡ ዝፈጠረላ ናይ ሓጎስ ስምዒት ክትገልጽ እንከላ \"ሕልምኻ ተጋሂዱ ከም ምርኣይ እዩ\" ኢላ። ጓላ፡ ጃስሚን ድማ፡ ናይ ክልቲአና ዓወት ንካልኦት መምሃሪ ዝኸውን እዩ ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ። \"ምስ ኣደይ ኮይንና ኣብዚ ደረጃ ምብጻሕና፡ ንካልኦት ብፍላይ ድማ ንጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ምንቕቓሕ ዝፈጥረለን እዩ ዝመስለኒ። ስለዝኾነ ድማ ኣዝዩ ደስ ኢሉኒ ኣሎ\" ኢላ። ኣብ ትምህርቲ ኮነ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም፡ ምስ ኣዲኣ ብሓደ ክትጓዓዝ ምኽኣላ ሕጉስቲ ምዃና ወሲኻ ትዛረብ፡ ጃስሚን። እዘን ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን-ኣመሪካውያን፡ ብሓደ ተማሂረን ኣብ ሓደ ትካል ተቖጺረን ምስረሐን ዝሰምዑ ሰባት ገሪምዎም ኣሎ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53040218"} {"headline":"ኣሜርካ ብ'ኦንላይን' ንዝመሃሩ ዘለው ወጻእተኛታት ተማሃሮ ቪዛ ከም ዘይተሕድስ ሓቢራ","content":"ካብ መስከረም ንደሓር፡ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ብኦንላይን ዝከታተሉ ዘለው ወጻእተኛታት ተማሃሮ፡ ብኣካል ኣብ ክፍሊ ዝዋሃብ ኮርስ እንተዘይብሎም፡ ኣብ ኣሜሪካ ክጸንሑ ከም ዘይፍቀደሎም ተገሊጹ። ነዚ መምርሒ ዘየኽበሩ ሰባት፡ ካብታ ሃገር ክስጎጉ ከም ዝኽእሉ ድማ፡ ኤጀንሲ ኢሚግረሽንን ግምሩኽን ኣሜሪካ ኣፍሊጡ። ብዙሓት ዩኒቨርስቲታት፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ነቲ ዝህብኦ ትምህርቲ ናብ 'ኦንላይን' ማለት ብኢንተርነት ዝወሃብ ኣገባብ ይቕይራ ኣለዋ። በብዓመቱ ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎም ወጻእተኛታት ተማሃሮ፡ ንትምህርቲ ናብ ኣሜሪካ ዝገሹ ኮይኖም፤ መብዛሕትኦም ምሉእ ክፍሊት ስለዝፍጽሙ፡ እዚ ነተን ዩኒቨርስቲታት ምንጪ ኣታዊ ምዃኑ ይግለጽ። ዩኒቨርስቲ ሃርቫርድ፡ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ዓመተ ትምህርቲ፡ ኩሉ መኣድታት ትምህርቲ ብ 'ኦንላይን' ከም ዝወሃብ ሓቢሩ ኣሎ። እዚ ሓድሽ መምርሒ፡ ነቶም ኣካዳምያውን ሞያውን ማለት ኤፍ-1 ከምኡ'ውን ኤም-1 ቪዛ ንዘለዎም ዝምልከት እዩ። ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣብ 2019፡ ልዕሊ 388 ሽሕ 'ኤፍ ቪዛ' ከምኡ እውን ልዕሊ 9500 'ኤም ቪዛ' ከም ዝሃበ ጸብጻባት የርእዩ። ብመሰረት ጸብጻብ ክፍሊ ንግዲ ኣሜሪካ፡ ወጻእተኛታት ተማሃሮ ኣብ 2018 ንኣሜሪካ 45 ቢልዮን ዶላር ምንጪ ኣታዊ ኮይኖም እዮም።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53317722"} {"headline":"ኮለጃት ኤርትራ ካብ ዝመጽእ ሰኑይ 13 ሓምለ ክኽፈታ እየን","content":"ተምሃሮ ናይተን ኣብ ዝተፈላለየ ዞባታት ዝርከባ ኮለጃት ኤርትራ፡ ነቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተቋረጸ ዝተረፎም ትምህርቲ ንምዝዛም ነናብ ኮለጆም ሎሚ ከም ዝተበገሱ ጸብጻባት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። ትካላት ትምህርቲ ኤርትራ ካብ 27 መጋቢት ጀሚረን ተዓጽየን ምጽንሐን ይፍለጥ። ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ዝተለኽፉ ይውስኽ'ኳ እንተሎ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተለኽፉ ግን ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝኣተዉ ጥራይ ምዃኖም እዩ ዝግለጽ። ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ብ28 ሰነ ብዘውጽኦ መምርሒ መሰረት፡ ተምሃሮ 11 ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ 6 ሓምለ ጀሚሮም ናብ ትምህርቶም ተመሊሶም ኣለዉ። ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ድማ ካብ ዝመጽእ ሰኑይ 13 ሓምለ ኣገልግሎት ትምህርቲ ክህባ ምዃነን እቲ ሓይሊ ዕማም ጠቒሱ ነይሩ። ዝተረፉ ኩሎም ተምሃሮ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ናብ ትምህርቶም ክምለሱ’ዮም። ኣብ ኣገባብ ኣወሃህባ ትምህርቲ ይኹን፡ መነባብሮ ተምሃሮ ኮለጃት ንመምርሒታት ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ግምት ዘእተወ እንተኾይኑ ግን ዝተግልጸ የለን። ኣብ ካልኦት ሃገራት፡ እንተወሓደ ተምሃሮ ኣካላዊ ምፍንታት ከም ዝህልዎም ይግበር ምህላዉ ይፍለጥ። ኤርትራ ካብ 2 ሚያዝያ ጀሚራ ኣብ ዕጽዋ ትርከብ። ብዘይካ ብኣካል ዝወሃብ ትምህርቲ ድማ፡ ኣገልግሎት ኢንተርነት ተንቀሳቓሲ ተሌፎን (ዳታ) ብዘይምህላዉ፡ ብኢንተርነት ዝወሃብ ትምህርቲ የለን። እተን ኣካል ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዝነበራ ኮለጃት፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ድሕሪ ምፍራሱ ተፈናጪለን ናብ ዝተፈላለያ ዞባታት ተወሲደን። ኮለጅ ንግድን ማሕበራዊ ስነፍልጠት ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ከተማ ዓዲ ቐይሕ፡ ኮለጅ ሕርሻ ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ካብ ከረን ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ሓመልማሎ ዝበሃል ቦታ፡ ኮለጅ ሓፈሻዊ ሕክምናን ስነፍልጠት ጥዕና ኣብ ኣስመራ፡ ኮለጅ ስነፍልጠትን ቴክኖሎጂን ባሕሪ ኣብ ባጽዕ፡ ኢንስትዩቲት ቴክኖሎጂ. ኤርትራ ድማ ማይነፍሒ ዞባ ማእከል ይርከባ። ኣብታ ሃገር፡ ክሳብ ሕጂ ድምር ቁጽሪ ዝተለኽፉ 232 ክበጽሕ እንከሎ፡ ካብዚኦም 107 ሓውዮም ካብ ሆስፒታላት ተፋንዮም። እቶም ዝተረፉ፡ 125 ድማ፡ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ኣድላዪ ክንክን ይገበረሎም ከም ዘሎ ሚኒስትሪ ጥዕና ገሊጹ። ክሳብ ሎሚ ኣብታ ሃገር ብኮሮናቫይረስ ዝሞተ ሰብ የለን።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53371573"} {"headline":"ኣብ መዓልቲ ልደተይ፡ ካብ ዝሞተ ኣቦይ መልእኽቲ በጺሑኒ'","content":"ናታሻ ሳልማን፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ እዩ ኣቦኣ ዓሪፉ። ንፈለማ እዋን ድማ፡ ኣዝያ እትፈትዎ ኣቦኣ ብዘይብሉ ልደታ ክተኽብር ትዳሎ ነይራ። ሳልማን ዋሂድ ን5 ዓመታት ብሕማም ኣእምሮ ክሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ፡ 24 ሚያዝያ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ናታሻ ኣብ ድሮ መዓልቲ ልደታ ኣቦኣ ብሕልማ ክትሪኦ ከምእትኽእል ትሓስብ ነይራ። ኣይኮነን። እዛ ሕክምና እተጽንዕ ጓል 22 ዓመት ተምሃሪት፡ ንኣቦኣ ብሕልማ ስለዘይረኣየቶ ሓዚና እንከላ መዓልቲ ልደታ ኣትያ። ዓሰርተ ሻዕ ናብ ሕልናኣ እናመጸ ይርብሻ ነይሩ። ካብኡ ሃንደበት፡ ኢመይል ኣድራሻኣ ከፊታ ምፍታሸ ጀሚራ። ኣብ ኢመይል ኣድራሻኣ ምስኣተወት፡ ዝጸንሑ መልእኽታት ትእልሽ ጀሚራ። ብፍላይ ድማ ዘይድለዩ መልእኽታት [spam] ትስርዝ ነይራ። ክሳብ ኣጸቢቓ እትርእዮ፡ ክትስርዞ ቀሪባ ዝነበረት ሓደ መልእኽቲ ድማ ትረክብ። \"ባባ\" ዝብል ቃል ምስረአየት ንቐልባ ስሒብዎ። “እንኳዕ ኣብጸሐኪ ዶክተር ናታሻ። ኩሉ ጊዜ ካብ ዝፈትወኪ ኣቦኺ!” ዝብል መልእኽቲ ኣለዎ። ሳልማን ነቲ ኢመይል ኣብ ወርሒ ሓምለ 2017 እዩ ጽሒፍዎ። ኣብቲ እዋን በቲ ዝሓደሮ ሕማም፡ መዓስ ከምዝመውት ዳርጋ ገሚቱ ከምዝነበረ እያ ትኣምን። እቲ መልእኽቲ መዓስ ናብ ጓሉ ክስደድ ከምዘለዎ ቀዲሙ መዓልቲ ፈልዩ መዘኻኸሪ ገይርሉ ጸኒሑ። “እቲ መልእኽቲ ኣዝዩ እዩ ኣሐጒሱኒ። ንካልኦት ኣሓተይ ድማ ነጊረየን። ንሰን’ውን ከምኡ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ረኺበን” ኢላ። “ኣዕርኽተይ እቲ መልእኽቲ ኣዝዩ ዝገርም ከምዝኾነ ምስ ነገራኒ፤ ኣብ ትዊተረይ ጠቂዐዮ። ዝገርም ግብረ መልሲ ድማ ረኺበሉ” ኢላ። እዚ ‘ፐርፌክት ባባ’ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ትዊተር ዝጠቀዐቶ ጽሑፍ፡ ልዕሊ 373 ሽሕ ተፈትዩ። ልዕሊ ሓደ ሽሕ ድማ ርእይቶ ተዋሂብዎ። ሰባት ንዓኣ 'ኣጆኺ' እናበሉ ናታቶም ዛንታ ውን ከካፍሉ ጀሚሮም። ሚካኤላ ዳንኤል ዝተብሃለት ሓንቲ ካብኣቶም እያ። “እቲ ስምዒትኪ ኣነ’ውን ተሰሚዑኒ። መዓልቲ ልደተይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እዩ ነይሩ። ኣቦይ ግን ቀዲመ እየ ስኢነዮ። ኩሉ ጊዜ ኣብ መዓልቲ ልደተይ ቅድሚ ኹሉ መጺኡ ይስዕመኒ ነይሩ። ‘በርቲዕኺ ስርሒ ዛጓለይ’ ይብለኒ ነይሩ” ክትብል ዛንታኣ ኣካፊላ። “ሕዚ ግን ብጣዕሚ እየ ዝናፍቖ” ድማ ኢላ። ናታሻ፡ ነዞም ዝተፈላለዩ መልእኽታት ዝለኣኹላ ሰባት፡ ኣኪባ ምኽሪ ክትህብ ድማ ጀሚራ ኣላ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንዝሓዘኑ ሰባት ምኽሪ ዝህብ ጂል ፍራምፕቶን፡ “ሓደ ሰብ ሞይቱ ማለት፡ እቲ ርክብ ተወዲኡ ማለት ኣይኮነን። መልክዑ ቀይሩ እዩ ዝቕጽል” ኢሉ። “ከም ደቂ ሰባት፡ እዚ ኣካላዊ ርክባት ንደልዮ ንኸውን። እንተኾነ፡ እቲ ፍቕራዊ ስምዒት ካብ ውሽጥና ኣይጠፍእን። ዋላ ምስ ሞተ፡ ኣካል ናትና ኮይኑ እዩ ዝነብር” ዝብል ርእይቶ ሂቡ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53297347"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ውሳነ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ቪዛ ወጻእተኛታት ተምሃሮ ንብዙሓት ኣቖጢዑ","content":"ዝተፈላለያ ትካላት ትምህርቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ኢለን መስርሕ ምምሃር ምስትምሃር ካብ ብኣካል ብመርበብ [ኦንላይን] ክህባ ጀሚረን ኣለዋ። ነዚ ስዒቡ እምበኣር ኣብ ኣመሪካ ዝምሃሩ ዜጋታት ወጻኢ ነናብ ዓዶም ክኸዱ ተወሲኑ እዩ። ኣብ ኣመሪካ ንጉዳይ ዜጋታት ወጻኢ ብላዕለዋይነት ዝመርሕ ኣይስ [ኢሚግሬሽን ኤንድ ከስተምስ ኢንፎርስመንት]፡ እቶም ተምሃሮ ብኦንላይን ጥራሕ ዝመሃሩ እንተድኣኾይኖም ካብታ ሃገር ክወጽኡ ከምዝግበር ኣፍሊጡ ኣሎ። ዘላቶም እንኮ ኣማራጺ ዝመሃርሉ ትካል ትምህርቲ ብምቕያር ብኣካል ክመሃርሉ ዝኽእልሉ ባይታ ምእላሽ ከምዝኾነ'ውን ገሊጹ። ብዙሓት ዩኒቨርሲታት ኣመሪካ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሻቕሎት ኮይኑ ስለዝቐጸለ ኣብ ዝመጽእ ዓመት እውን እንተኾነ መስርሕ ምምሃር ምስትምሃር 'ብኦንላይን' ንምጅማር ተሊመን ኣለዋ። በዚ ምኽንያት ክንደይ ተምሃሮ ኣብ ጸገም ከምዝወድቁ ግን ዝተፈልጠ ነገር የለን። ንግዚኡ እቲ ምምሃር ምስትምሃር ናብ ኦንላይን ኣብ ዝቐየራ ትካላት ትምህርቲ ትምህርቶም ዝከታተሉ ተምሃሮን ንሓጺር እዋን ኣብ ኣመሪካ ትምህርቶም ዝከታተሉ ዘለዉ ተምሃሮን ክሳብ ዝወድኡ ኣብታ ሃገር ከምዝጸንሑ ተገሊጹ'ዩ። እዚ ኩነታት ግን ኣብ መጻኢ ናይ ትምህርቲ ዘበን ተግባራዊ ከምዘይኸውን ተሓቢሩ። እዚ ውሳነ ኤፍ1 ን ኤም1ን ዝዓይነቶም ቪዛ ንዘለዎም ተምሃሮ ከምዝሓውስ መግለጺ ኣይስ የረድእ። ዩኒቨርስቲ ሃርቫርድ ናይ ቀጻሊ ዓመት ምምሃር ምስትምሃር ብኦንላይን ከምዝገብሮ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጡ ነይሩ። ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ እቲ ዩኒቨርስቲ ዝሓድሩ ተምሃሩ እውን ትምህርቶም ብኦንላይን ክከታተሉ እዮም። ትሽዓተ ምኢታዊት ዩኒቨርሲታት እታ ሃገር ካብ ቀጻሊ ዓመት ሓጋይ ጀሚረን ስሩዕ ትምህርተን ብኦንላይን ንምሃብ ከምዝወሰና ሓበሬታ ክሮኒክል ኦፍ ሃየር ኢዱኬሽን የረድእ። እቲ ውሳነ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ኣዋርሕ ክቕየር ከምዝኽእል ድማ የመልክት። ፕረዚደንት ዩኒቨርስቲ ሃርቫርድ ላሪ ባኮው፡ ኣይስ ንዘውጽኦ መምርሒ ተቓዊምዎ። ሴናተር ዴሞክራት ኤልዛቤት ብግድኣ ንውሳነ ኣይስ \"ዩኒቨርሲታት ዝህብኦ ትምህርቲ ብኦንላይን ክኸውን ብምውሳን ተምሃሮ ካብ ኣመሪካ ንኽወጽኡ ምግባር ጭካነ'ዩ\" ድሕሪ ምባል ጸረ ዜጋታት ደቂ ወጻኢ ክትብል ነቒፋቶ። ንኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣመሪካ ሓዊስካ ብዙሓት ሰባት ነቲ ውሳነ ዝኾነንዎ ኮይኖም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ንዝቕመጡ ዜጋታት ኮነ ኣብ መንጎ ሃገራት ንዘሎ ናይ ሰዓት ኣፈላላይ ኣብ ግምት ውሽጢ ዘይእተወ እዩ ክብሉ ነቒፎምዎ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ሳውዝ ፍሎሪዳ ናይ ድሕረ ምረቓ ትምህርቱ ዝከታተል ዘሎ ፓኪስታናዊ ሙሓመድ ኤሃብ ራሱል እቲ ውሳነ ንተምሃሮ ደቂ ወጻኢ ዘሰምበደ እዩ ክብል ገሊጽዎ። \"ከም መጠን ተምሃሮ ዓለም ለኻውያንን ኣብ ኣመሪካ ውሑዳን ከም ምዃንና መጠንን ኣብዛ ሃገር ንኽትጸንሑ ዘኽእል ምኽንያትኩም ኣቕርቡ ምባልሎም ኣሻቓሉና'ሎ\" ኢሉ። \"ኣብተን ዩኒቨርሲታት ትምህርትና ክንቅጽልን ዘይክንቅጽልን'ኳስ ንፈልጦ ነገር የብልናን። ብጣዕሚ ዘጨንቕ ጉዳይ ኮይንና'ሎ\" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53331263"} {"headline":"ኣብ ትምህርቲ ውሳነ መንግስቲ ፌደራል፡ ኣብ ትግራይ ተፈጻሚ ንምግባር ይዝተየሉ ኣሎ","content":"ዓለም ብለበዳ ኮሮናቫርስ ናብ ስግኣትን ቅልውላውን ክትኣትው ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን ብቐዳምነት ካብ ዝተወሰዱ ስጉምትታት እቲ ሓደ ኣብያተ ትምህርቲ ምዕጻው እዩ። ኢትዮጵያ'ውን ሓንቲ ካብተን ኣብያተ ትምህርቲ ብኣጋ ክዕጸዉ ዝወሰናን ክሳብ ሎሚ ተምሃሮአን ናብ መኣዲ ትምህርቲ ዘይመለሳን ሃገራት ዓለም ኮይና'ላ። እቲ ዝተኣጓጎለ ግዜ ትምህርቲ ዝባኸነ ኮይኑ ንኸይሓልፍ ብዝብል ድማ ተምሃሮ ናብቲ ዝቕጽል ክፍሊ ብዘይፈተና ክሰግሩ ከምዝተወሰነ ይዝከር። ዘመነ ትምህርቲ 2013 ሚንስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ወግዓዊ ከምዝገበሮ ነቲ ዝመጽእ ዘሎ ዘመነ ትምህርቲ ምዝገባ ተምሃሮ ክጅምር ኣብ ውሳነ ተበጺሑ'ዩ። ኣብታ ሃገር ዝርከባ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ካብ 20 ነሓሰ 2013 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ምዝገባ ክጅምራ መምርሒ ተዋሂቡ'ሎ። ኣብቲ ሚንስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ህዝባዊ ርክባት ወይዘሮ ሃረጓ ማሞ ከምዝሓበረቶ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ንለብዒ እቲ ቫይረስ ብዘየሳጥሕ መገዲ ኩነታት ኣመቻችየን ምዝገባ ከካይዳ'ዩ ተወሲኑ። \"እቲ ምዝገባ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ብፍላይ እተን ብዙሕ ቁጽሪ ተምሃራይ ዘለወን ኣብያት ትምህርቲ ንምክልኻል ኮሮናቫይረስ ቆላሕታ ብምሃብ ከካይዳ ኣለወን\" ትብል። ኣብያተ ትምህርቲ መጽረዪ ኢድ ሳኒታይዘር ከዳልዋ፤ ተምሃሮን ወለድን ድማ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ገይሮም ክመጽኡ፤ ማይን ሳሙናን ብምቕራብ ከኣ እናተሓጸቡ ክኣትዉ ምግባር ከምዘድልይ ተረድእ። መሰርሕ ምምሃር ምስትምሃር ምስተጀመረ ክግበሩ ኣብ ዘለዎም ነገራት ኣድሂቡ ዝሰርሕ ሓደ ጉጅለ ከምዝቖመ'ውን ወይዘሮ ሃረጓ ሓቢራ። ምድላው ኣብ ትግራይ? ትግራይ ብመሰረት እቲ ካብ ሚንስትሪ ትምህርቲ ዝተወሃበ መመርሒ ንዘበነ ትምህርቲ 2013 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ምዝገባ ተምሃሮ ክትጅምር ቅድመ ምድላው ከምዝወገነት ካብ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። \"እቲ ወሳናይ ነገር ምስ ምክልኻል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ ዝግበር ቅድመ ምድላው እዩ። እቲ ኸይዲ ምምሃር ምስትምሃር ክቕጽል'ዶ ይኸውን? ዝብል ግን ዓብዪ ሕቶ እዩ\" ይብል ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ዶክተር ገብረመስቀል ካሕሳይ። ይኹን እምበር ኣብቲ ክልል ዘድልይ ምድላው ይግበር ከምዘሎ ንቢቢሲ ሓቢሩ'ሎ። ብቐዳምነት ድማ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ለብዒ እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ክግበር ኣብ ዝግባእ ጥንቃቐ ሰነድ ከምዝተዳለወ ገሊጹ። \"እዚ ሰነድ ከኣ ተምሃሮ ማስክ [መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን] ክገብሩ፤ መእተዊ ማዕጾ ሓደ እንተነይሩ ተወሰኽቲ ክዳለዉ ምግባር፤ ከምኡ'ውን መዕቀኒ ረስኒ ሰብነት ክህሉ ድዩ? ዝብሉን ካልኦትን ዘካተተ እዩ\" ይብል ካብ ዝተገበሩ ቅድመ ምድላዋት ክገልጽ ከሎ። ብዘይካ'ዚ ኣብ ሓደ መምሃሪ ክፍሊ ዝመሃሩ ዝነበሩ ተምሃሮ ቁጽሮም ክንክይ ብምግባር ነቲ ክፍጠር ዝኽእል ጽዑቕ ምትእኽኻብ ንምንካይ ተሓሲቡ እዩ። \"ኩለን ኣብያተ ትምህርትና ፈቲሽና ኣብ ኽፍሊ ክንደይ ተምሃራይ ክመሃር ከምዝኽእል ሰለስተ ኣማራጽታት ዝሓዘ ካልእ ዓብዪ ሰነድ'’ውን ተዳልዩ'ሎ። ኣብ ሓደ ክፍሊ ክሳብ 30 ተምሃሮ ጌርካ፤ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ፈረቓ ከምህራ ዝኽእልኸ ኣየኖት ኣብያተ ትምህርቲ እየን? ካብ ሰኑይ ክሳብ ሰኑይ ከምህራ ዝኽእላኸ? ዝብሉን ካልኦትን ዝርዝር ሰነድ ተዳልዩ’ሎ” ኢሉ ዶክተር ገብረመስቀል። “ውሑስ እንተኾይኑ ደቀይ ናብ ቤት ትምህርቲ ክልእኽ እየ” ነባሪ ከተማ መቐለ ኣይተ ክብሮም ኢታይ ክልተ ደቁ ተምሃሮ 11ን 4ይን ክፍሊ እዮም። ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይት ዝመሃሩሉ ቤት ትምህርቲ ካብ ዝዕጾ ንደሓር ኣብ ገዝኦም ብሬድዮ፣ ቴሌቪዥንን ካልእ መገዲን ትምህርቶም ክከታተሉ ምጽንሖም ይዛረብ። ብዘይካ’ዚ ደቁ ግዚኦም ከይባኽን መጻሕፍቲ እናንበቡን ናይ ርሕቐት ትምህርቲ እናተኸታተሉን ዝከኣሎም ይጽዕሩ። እንተኾነ እዚ ኩሉ ማዕረ ምስቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ውዒልካ ዝርከብ ፍልጠት ክወዳደር ከምዘይኽእል ኣይተ ክብሮም ይገልጽ። ንዘመነ ትምህረቲ 2013 ኣ.ኢ ምዝገባ ተምሃሮ ክጅመር ምዃኑ ድማ ከምዝቕበሎ ይዛረብ። “ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ትምህርቲ ክጅመር እዩ ይበሃል ኣሎ። ኣብ ምጅማሩ ዝኾነ ዓይነት ቅሬታ የብለይን። ግን ድማ ክሕሰበሎም ዝግባእ ነገራት ኣለዉ። ንኣብነት ኣብ ሓደ ክፍሊ 70 ተምሃሮ እንተነይሮም ናብ 35 ነኪኻ እንተዝጅመር ጸቡቕ ይመስለኒ” ክብል ስክፍትኡ የረድእ። ኣድላዪ ዝኾነ ጥንቃቐ ብምግባርን ኣብ ሓደ ወንበር ሓደ ተምሃራይ ኮፍ ዝብለሉ ኩነታት ብምምችቻውን እቲ ምምሃር ምስትምሃር እንተጀሚሩ ሕጉስ ከምዝኸውን ወሲኹ ገሊጹ። ኣብ ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ መቐለ ሕብረተሰብ ኣብ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ድኹም ዝኾነ ጥንቃቐ የርእይን ከምዘሎ ስክፍትኡን ትዕዝብቱን ይሕብር ኣይተ ክብሮም። እዚ ኩነታት ከኣ ምስ ምጅማራ ትምህርቲ ከቢድ ሓደጋ ዘስዕብ ከይኸውን የጠንቅቕ። “ንጽባሕ ብምሕሳብ፤ ንደቅናን ተምሃሮን ሓሊና ኩሉ እንገብሮ ምንቅስቓስ ጥንቃቐ ብዝተመልኦ ክኸውን ከምዝግባእ ክዛረብ እደልይ። ስለዚ እኹል ዝኾነ ቅድመ ምድላው እንተተገይሩን ውሑስ ዝኾነ ኩነታት እንተሃልዩን ደቀይ ናብ ቤት ትምህርቲ ንምልኣኽ ድልው እየ” ኢሉ። ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ዶክተር ገብረመስቀል ብድሕሪ ምዝገባ ስሩዕ ዝኾነ ትምህርቲ መዓዝ ከምዝጅመር ንጹር መዓልቲ ምቕማጥ ከምዘይከኣል ብምሕባር ነቶም ምስ ምክልኻል ለብዒ ኮቪድ-19 ብዝተሓሓዝ ኣብ ዝተገበሩ ምድላዋት ንምፍጻም ግን ብድሆታት ክህልዉ ከምዝኽእሉ የረድኡ። “ንዘለዉና ከባቢያዊ ጸጋታት ብምርኣይ ግዚያዊ መምሃሪ ክፍልታት ክነዳልው ንኽእል ኢና። ግን ከኣ ብድሆታት ከምዝህሉ ፍሉጥ’ዩ። ንኣብነት ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ዝነበሩ 60 ተምሃሮ ናብ ክልተ እንተመቒልናዮም ሕጽረት መምህራን ከጋጥም ከምዝኽእል ርዱእ እዩ” ይብል። ይኹን’ምበር ነዚ ብድሆ ኣብ ግምት ዘእተወ ሰነድ ከምዝተዳለወ ገሊጹ’ሎ። ብዘይፈተና ምስጋር መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሰሙናት ወግዓዊ ከምዝገበሮ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ትህርቶም ዝተኣጓጎሎም ተምሃሮ ናብቲ ዝቕጽል ክፍሊ ብዘይፈተና ክሰግሩ ተወሲኑ’ዩ። እዚ ውሳነ ንናይ 8ይን 12ን ክፍሊ ተምሃሮ ኣይሃውስን። ኣቦ ክልተ ተምሃሮ ዝኾነ ኣይተ ክብሮም ግን ነዚ ውሳነ ከምዘይቕበሎ’ዩ ዝገልጽ። ነዚ ዝብለሉ ምኽንያት ከኣ ፍርቂ ዓመት ዘይመልእ ግዜ ተማሂሮም ናብ ዝቕጽል ክፍሊ ይስገሩ ምባል ኣብ ተምሃሮ ጽልዋ ከምዝህልዎ ብምስጋእ ከምዝኾነ የረድእ። “እዚ ጌጋ ውሳነ ይመስለኒ። ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን ንተምሃሮ ኣብ ገዛ ዝግበረሎም ዝነበረ ሓገዝን ክትትልን ትሑት’ዩ ነይሩ። ስለዚ ኣብታ ዝነበርዎ ደጊሞም እንተዝቕጽሉ’የ ዝብል ኣነ። ናብቲ ዘይፈልጥዎ ዝቕጽል ክፍሊ ክኣትዉ ከለዉ ስለዝኸብዶም ጽቡቕ ውጽኢት ከምጽኡ ኣይክእሉን” ይብል ኣይተ ክብሮም። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ “11ን 4ይን ክፍሊ መሃሩ ደቀይ ናብ ዝቕጽል ክፍሊ ይስገሩ እንተተባሂሉ ናብ ዘይፈልጥዎ ትምህርቲ ስለዝኣትዉ ክኸብዶም ይኽእል እዩ። ስለዚ እንተዝድገም እየ ዝብል ኣነ” ክብል ሓሳቡ ገሊጹ። ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ዶክተር ገብረመስቀል ንውሳነ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ ተፈጻሚ ንምግባር ምስ ህዝቢ ዘተ ምግባር ኣገዳሲ ስለዝኾነ ብደረጃ ክልል ዳህሳስ ከምዝተኻየደ ይገልጽ። “ሕብረተሰብ እንታይ ከምዝብል ክንፈልጥ ግድን እዩ። ደቁ ስለዝኾኑ ነቲ ውሳነ ክቕበሎ እንተኾይኑ ክዝትየሉ ግድን ይመስለኒ። ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ብጭቡጥ ክፈልጡ ዝኽእሉ ተምሃሮ፣ ወለዲን መምህራንን እዮም። ስለዚ ኣብ ውሳነታትን ካልኦት ዝስርሑ ስራሕትን ክተማኽሮም ይግባእ” ክብል የረድእ። ካብ ህዝቢ ኣብ ዝተወሃበ ርእይቶ እቲ ዝበዝሕ “ደቅና ኣብ ዝነብርዎ ክፍሊ መከሓሓሲ ትምህርቲ ከይተወሃቦም ናብ ዝቕጽል ክፍሊ ክሰግሩ የብሎምን” ዝብል ከምዝኾነ ድማ ሓቢሩ ዶክተር ገብረመስቀል። “ውሑዳት እዮም እምበር ‘እንተሰገሩ ጸገም የብሉን’ ዝበሉ እውን ኣይተስኣኑን። መከሓሓሲ ትምህርቲ ማለት ከኣ ዋላ ኣብ ዝተደራረበ ጊዜ ነቲ ዝነበሩሉ ክፍሊ ዝግባእ ትምህርቲ ክወሃቦም ምግባር’ዩ” ኢሉ። እቲ ዝተኻየደ ዳህሳስ ምስተጠርነፈ ውጽኢቱ ኣብ ቀረባ እዋን ወግዓዊ ከምዝግበር’ውን ኣዘኻኺሩ’ሎ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53995037"} {"headline":"ምምሕዳር ትራምፕ ወጻእተኛታት ተምሃሮ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዝሓንጸጾ ውጥን ሰሪዙ","content":"ምምሕዳር ፕረዚደንት ትራምፕ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ትምህርቶም ብኦንላይን ክከታተሉ ዝተገደዱ ወጻእተኛታት ተምሃሮ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዝሓዞ ውጥን ገዲፍዎ። እቲ ውጥን ዕላዊ (ወግዓዊ) ካብ ዝግበር ኣብ ውሽጢ ሰሙን'ዩ ተሰሪዙ ዘሎ። ሽዑ፡ ወጻእተኛታት ተምሃሮ ብኣካል ተረኺቦም ትምህርቶም ክከታተሉ እንተዘይክኢሎም ኣብ ኣሜሪካ ክጸንሑ ከም ዘይፍቀደሎም ተሓቢሩዎም'ዩ። ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ወርሒ መጋቢት ነናብ ሃገሮም ዝተመለሱ ተምሃሮ ድማ ብኢንተርኔት (ኦንላይን) ክከታተሉ ብምጅማሮም ናብ ኣሜሪካ ክምለሱ ከምዘይክእሉ ተገሊጹ ነይሩ። ነዚ ሕጊ ዘየኽብሩ ተምሃሮ እንተተረኺቦም ናብ ሃገሮም ጠቕሊሎም ከምዝስጎጉ ንጉዳይ ስደተኛታትን ጉምሩክን ዝከታተል ቤት ዕዮ እታ ሃገር ኣጠንቂቑ ምንባሩ ይግለጽ። ተምሃሮ ነናብ ሃገሮም ንምምላስ ዝተወጠነ ውጥን ዝተቓወሙ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ማሳቹሴትስን ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድን ንመንግስቲ ከሲሶም ነይሮም። ሕዚ ግን እቶም ትምህርቶም ብኦንላይን ዝከታተሉ ወጻእተኛታት ተምሃሮ ኣብታ ሃገር ሕጋውያን ኮይኖም ክጸንሑ ከምዝተፈቐደ ኒው ዮርክ ታይምስ ጸብጺቡ። በብዓመቱ ብዙሓት ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ትምህርቶም ንምክትታል ብዝብል ዕላማ ናብ ኣሜሪካ ይጓዓዙ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53413825"} {"headline":"ኣብያተ ትምህርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ኣገልግሎት ክምለሳ እየን","content":"መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ደንጊግዎም ዝጸንሐ ገደባት አዋጅ ዕጽዋ ከፉኩስ ብምጅማሩ ኣብያተ ትምህርቲ ናብ ኣገልግሎት ክምለሳ ምዃነን ተገሊጹ። ሚንስትሪ ትምህርቲ እታ ሃገር ከምዘፍለጦ 95 ሚኢታዊት ካብ አብያተ ትምህርቲ ነቲ ረቛሕታት ውሑስነት (ድሕነት) ስለዘማልኣ ዳግም ክኽፈታ እየን። መንግስቲ ነተን ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ረኽሲ ኮሮናቫይረስ ነጻ ናይ ምግባር ስራሕ ካብ ምስራሑ ብተወሳኺ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምስ ካልኦት መካላኸሊ ናውቲ ክባጻሕ ምግባሩ ይገልጽ። ገለ ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ሎሚ ሰኑይ ተምሃሮ ናብ ኣብያተ ትምህርቶም እናኸዱ ዘርእዩ ምስልታት ዘርጊሐን ኣለዋ። ምምሕዳር እተን ኣብያተ ትምህርቲ'ውን ተምሃሮአን ኣካላዊ ርሕቐት ምዕቃቦምን ኣእዳዎም ምሕጻቦምን ብምርግጋጽ ረስኒ ሰብነቶም እናዓቐና ክኣትዉ እናገበራ እየን። ሚንስተር ትምህርቲ ኣንጌ ሞሺግካ፡ ኣብዚ እዋን ኣብተን ንክኸፈታ ድልዋት ዘይኮና ኣብያተ ትምህርቲ ዘድሃበ ስራሕ ይስርሕ ከምዘሎ ሓቢራ። ንሳ ከምዝበለቶ ነቶም ረቛሕታት ዘየማልኣ ኣብያተ ትምህርቲ ናብ ኣገልግሎት ክምለሳ ኣይክፍቀደለንን። ግን ከኣ ብሰንኪ'ዚ ዋላ ሓደ ተምሃራይ ካብ ትምህርቲ ከምዘይተርፍ ኣፍሊጣ። ደቡብ ኣፍሪቃ ነቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ብዝብል ኣብ መሸጣ ኣልኮላዊ መስተ ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ገደብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ያ ኣልዒላቶ። ሆስፒታላት ብምኽንያት ሓደጋታት እቲ ቫይረስ ኣብ ዝተጨናነቓሉ እዚ እዋን ድማ ብሰንኪ ገበናት ብዘጋጥሙ ጉድኣታት'ውን ስራሕ ከምዝጸዓቐን ይግለጽ ኣሎ። ከተማ ደርባን ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዝሰርሕ ሓደ ዶክተር 'ሳንደይ ታይምስ' ንዝተበሃለት ጋዜጣ ከምዝሓበሮ፡ ኣዝዮም ብዙሓት መውጋእቲ [ብበላሕቲ ነገራት]፣ ጥቕዓታትን ካልኦት ሓደጋታትን ይረኣዩ ኣለዉ። \"እዚኦም ኩሎም ምስ ምልዓል እገዳ ኣልኮላዊ መስተታት ዝረኸቡ ምዃኖም ከኣ ዘሰንብድ'ዩ\" ክብል ነታ ጋዜጣ ተዛሪቡ። ቁጽሪ ግዳያት ሓደጋታት መኪና'ውን ከምዝወሰኸ ሆስፒታላት ኣፍሊጠን ኣለዋ። ኣብተን ክልተ ፈላሞት ናይ ዕጽዋ ኣዋርሕ ኣልኮላዊ መስተ ክእገድ ብምኽኣሉ፡ 70 ሚኢታዊት ናብ ሆስፒታላት ካብ ዝመጽኡ ግዳያት እቶም ግበናት ነክዩ ምንባሩ ይግለጽ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52956553"} {"headline":"ዙምባብዌ፡ ደቆም ካብ ትምህርቲ ደው ንዘበሉ ወለዲ ክትኣስር እያ","content":"መንግስቲ ዙምባብወ፡ ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ዘይልእኹን ትምህርቲ ዘቋርጹን ወለዲ ክሳብ ክልተ ዓመት ብዝበጽሕ ማእሰርቲ ከም እትቐጽዖም ኣፍሊጡ። መንግስቲ፡ ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ትምህርቶም ዘቋርጹ ተመሃሮ እናወሰኸ ብምምጽኡ፡ ዝኾነ ሰብ ክሳብ 16 ዓመት ዝመልእ ትምህርቲ ግዴታ ክኸውን ገይሩ'ሎ። ምንጭታት ከምዝሕብርዎ፡ ኣብ ገለ ክፋላት እታ ሃገር 20 ሚእታዊት ዝኾኑ ህጻናት ናብ ቤት ትምህርቲ ኣይከዱን እዮም። ብመሰረት ዘውጽኣ ሓዲሽ ሕጊ፡ ተመሃሮ ኽፍሊት ትምህርቲ ብዘይምኽፋሎም ወይ ድማ ደቂ-ኣንስትዮ ነፍሰ ጾር ኮይነን ኢልካ ምስጓጉ፡ ከም ገበን ክቑጸር እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 60 ሚእታዊት ናይ መባእታ ተመሃሮ፡ ናይ ቤት-ትምህርቲ ክፍሊት ኣየምጻእኩም ብምባል ካብ ቤት ትምህርቲ ተሰጒጎም'ዮም። ዝሓለፈ ዓመት ካብዛ ዓለም ዝተፈለየ ፕረዚደንት ዙምባብዌ ነበር ሮበርት ሙጋበ፡ እታ ሃገር ናጽነታ ምስ ረኸበት ብዝዘርግሖ ስርዓት ትምህርቲ ናእዳ ረኺቡ ነይሩ። ሮበርት ሙጋበ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ብምኽፋት ግብራዊ ዝገበሮ ስርዓት ትምህርቲ ንጸለምቲ ዜጋታት እታ ሃገር ዓብዪ ዕድል ፈጢሩ ምንባሩ ይፍለጥ። በዚ ድማ፡ ካብ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ሽፋን ትምህርቲ ዘለዋ ሃገር ተባሂላ ነይራ። ይኹን'ምበር፡ ናጻ ትምህርቲ ብ1990ታት ጠጠው ከብል ስለ ዝተገብረ፡ ድሕሪኡ ኣብ ዘለው ዓመታት እቲ ዝሃነጸቶ ስርዓት ትምህርቲ ክፈርስ ጀሚሩ። መንግስቲ ወለዲ ትምህርቶም ዘቋርጹ ተመሃሮ ክቕጽዕ ዝተገደደሉ ምኽንያት፡ በዚ መገዲ ዝወደቐ ስርዓት ትምህርቲ እታ ሃገር ንምድሓን'ዩ። ብመሰረት እቲ ሕጊ ድማ፡ ወለዲ ክሳብ ክልተ ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርተን 260 ዶላር ገንዘብ ክቕጽዑ'ዮም። መንግስቲ ዝኣተዎ መብጽኣ ናጻ ዕድል ትምህርቲ ከፈጽም ብዘይምኽኣሉ ከምዚ ዓይነት ሕጊ ምውጽኡ ግቡእ ኣይኮነን ኢሎም ዝነቕፉዎ ሰባት ኣለው። ጥንሲ፣ መርዓ ትሕቲ ዕድመ፣ ርሕቐት ኣብያተ ትምህርቲ፣ ድልየት ትምህርቲ ዘይምህላው፡ ምኽንያት ምቁራጽ ትምህርቲ እዮም ተባሂሎም ይጥቀሱ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51813095"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ውጽኢትን ብድሆታትን ትምህርቲ 'ኦንላይን' ብዓይኒ ኤርትራውያን መማህራን","content":"ኮሮና ቫይረስ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ካልኦት ዓይነት ቫይረስ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ናህሪ ስለዝተላብዐ ዳርጋ ንጥፈታት መላእ ዓለም ንክድስክል ኣገዲዱ'ዩ። እቲ ለበዳ ሃንደበት ስለዝተኸስተን ብቕልጡፍ ናህሪ ስለዝተዘርገሐን ነተን ዝማዕበላ ሃገራት ዓለም ከይተረፋ ዘዕግብ ቅድመ ምድላዋት ከይገበራ ኣብ ዕጽዋን ሸበድበድን አእትዩወን። ምስቅስቓስ ሰባትን ተሸከርከርትን፡ መዕርፎ ነፈርትን ተዓጽዩ፡ ማሕበራውን ሃይማኖታውን ምትእኽኻባት ከይግበር፡ ሰባት ከም ዝለመድዎ ከይዛወሩን ንስድራ-ቤቶም ከይበጽሑን ተኣጊዶም። ዝበዝሑ ሰራሕተኛታት መንግስትን ትካላትን እውን ካብ ገዛ ክሰርሑ ተወሲኑ። ማእከል ትምህርትን ምርምርን ዝነበራ ኣብያተ-ትምህርቲን ዩኒቨርስታት'ውን ቅድመ ምድላዋት ከይገበራ ብሃንደበት ተዓጽየን። እቲ ቀንዲ መከላኸሊ ናይዚ መድሃኒት ይኹን ክታበት ዘይብሉ ቫይረስ ኣብ ገዛ ምዕጻው ስለዝኾነ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ገዝኡ ኮይኑ ትምህርቱ ክከታተል ተገዲዱ። መምህራን እውን ካብ ገዛ ክምህሩ ተቐሲቦም። እቶም ምስ ተምሃሮኦም ገጽ ንገጽ ተራኺቦም ዝምህሩን መጽናዕትታት ዘካይዱን ዝነበሩ መምሃራን፡ ኣብተን እኹልን ቅልጡፍን ትሕተ ቅርጺ ኢንተርነት ዘለወን ሃገራ ብመገዲ ኢንተርነት ክምህሩ ጀሚሮም። ዘመነ ተኽኖሎጂ እቲ ለበዳ ኣብ ዘመነ ሓበሬታን መራኸቢታት ቴክኖሎጂን ብምምጽኡ ብዙሓት ሰባት፡ ብመገዲ ኮምፒዩተርን ኢንተርነትን ክራኽቡን ስርሖም ከሳልጡን ክኢሎም። ዋላ'ኳ ከምቲ ዝግባእ እንተዘይኮነ፡ ተምሃሮ ብመጠኑ ትምህርቶም ክከታተሉን ክኢሎም ኣለው። እዚ ቴክኖሎጂ ድማ ኣብ ሂወት ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ዘይርሳዕ ነባሪ ጽልዋ ኣትሪፉ'ሎ። እቶም ንቕሓትን ፍልጠትን ቴክኖሎጂ ዝነበሮም ተምሃሮን መምሃራንን፡ በዚ ለበዳ ከይተሰናኸሉ ዓቕሞም ክሕይሉን ትምህርቶም ክከታተሉን ይፍትኑ ኣለው። በዚ ምኽንት እዚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ንዓለምና ናብ ሓዲሽ መድረኽ ትምህርትን ስራሕን ኣሰጋጊርዋ ይርከብ። እንተኾነ ግን፡ ክንደይ ሰባት እዮም ነዚ ለበዳ ተዳልዮሙሉ ጸኒሖም፡ ክልተ ኤርትራውያን መምሃራን፡ ዶ\/ር ክፍለማርያም ኣብርሃም ካብ ካቶሊካዊት ዩኒቨርሲቲ ኬንያ፡ ሓላፊ ክፍልን መምህር ቢዝነስ ማነጅመትን ማርኬቲን ከምኡ እውን መምህር ጸጋይ ገብረሂወት ካብ ለንደን ተመኩሮኦም ኣካፊሎምና ኣለው። ዶ\/ር ክፍለማርያም፡ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ኩሉ ዓውድታት ህይወት፡ ማሕበራዊ፡ ፖሎቲካዊ፡ ኣብ ቁጠባ ከምኡ'ውን ኣብ ዓወደ ትምህርቲ ዓቢ ጽልዋ ከምዝገበረ ይገልጽ። እቲ ጽልዋ፡ ብክልተ ነገራት ክረኣ ከምዘለዎ'ውን ይሕብር። እቲ ቀዳማይ ጽልዋ ዝበሎ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ሓዲሽ ዕድላትን ሓዲሽ ኣተሓሳስባን ማሃዝነትን ዘደንፈዐ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ከኣ እቲ ቫይረስ ሒዝዎ ዝመጽአ ብድሆታትን ጸገማትን ማለት \"ካብ ንቡር ናብ ሓዲሽ ንቡር\" ስለዘሰጋገረ ቀሊል ዘይምዃኑ ይዛረብ። ኣብ ለንደን ዝምህር መምህር ጸጋይ ብወገኑ፡ ቅድሚ ኮሮናቫይረስ፡ ምምህርና ከምቲ ልሙድ ስለዝነበረ ንተምሃሮ ክትቆጻጸሮምን ክትከታተሎም ዝሓሸ ከምዝነበረ'ዩ ዝገልጽ። እቲ ለበዳ ሓዲሽ ብምንባሩ፡ ኣብ ታሪኽ ዓዲ እንግሊዝ ተራእዩ ዘይፈለጥ ዓውደ ትምህርቲ ብኢንተርነት ክካየድ ኣጸጋሚ ከምዝነበረ ይሕብር። እቶም ዕድላት እንታይ እዮም ነይሮም? ዝዓበየ ክፋል ዓለምና ንዕድላት ኢንተርነት ኣብ ትምህርትን ስራሕ ኣብ ምንዳይን ብዘይጸገምን ብቀጻልን ከምዝጥቀሙሉ ይፍለጥ። ቅድሚ ኮሮናቫይረስ፡ ተምሃሮ ዩኒቨርሲትን ማእከላይ ደረጃን ንኢንተርነትን ዲጂታል መራኸብን ብቐጻሊ ክጥቀሙሉ ጸኒሖም እዮም። ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ትምህርቲ ብ'ኦንላይን' ምስ ተጀመረ፡ ትህምርቲ ብግዜን ቦታን ከይተሓጽረ ብቐሊሉ ንኹሉ ክባጻሕ ከምዝኽእል ኣሚቱና ይብል ዶ\/ር ክፍለማርያም። እቲ ትምህርቱ ዝከታተል ተምሃራይ'ውን ኣብ ዝደለዮ ቦታን ግዜን ኮይኑ፡ ትምህርቱ ክታተል ከምዝኸኣለን፡ ከምቲ ቅድም ኣብ ሓደ ቦታን ግዜን ተሓጺርካ ዝግበር ዝነበረ፡ ብሳላ ሓበሬታን መራኸቢታት ቴክኖሎጂን ብተዓጻጻፍነት ክመሃሩ ከምዝኽሉ ይገልጽ። እቲ ትምህርቲ ናብ ኦንላይን ምስ ተቐየረ፡ ብቕልጡፍን ብዘቐለለ መገድን ናብ ረብሕኡ ኣውዒልዎ'ዩ። ኣብ ለንደን'ውን ተምሃሮ ምስቲ ቴክኖሎጂ ብዙሕ ኣፍልጦ ስለዝነበሮም፡ ናብቲ ኦንላይ ንኽሰጋገሩ ዘጸግም ኣይነበረን ዝበለ ምምህር ጸጋይ፡ እቲ ዝነበረ ብድሆ እቲ ኣብቲ ሕብረተሰብ ሰሪጹ ዝጸንሐ ልምድን ባህል ከምዝኾነ ይገልጽ። \"ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ተምሃሮ ዳርጋ ከተኾልሶም እዩ ዘለካ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ግን ከምኡ ኣይኮነን። ብኦንላይን ክትምህሮ እንከለኻ ነቲ ተምሃራይ ገጽ ንገጽ ስለዘይትርእዮ፡ ስርሓያ ዝበልካዮ፡ ኣብ ናቱ ግዜን ቦታን እዩ ዝሰርሖ። ኣብ ከምዚ ኦንላይን ትምህርቲ ስነ-ስርዓት ዘለዎም ተምሃሮ የድልዩካ። እቲ ውጽኢት ትምሀርቲ ድማ ከምቲ ዝድለ ኣይኮነን። እቲ ትምህርቲ በዳሂ እዩ ነይሩ\" ይብል። ዝነበሩ ጸገማት ትምህርቲ፡ ቀጻልነት ዘለዎ ሰብኣዊ ዕብየት ክእለትን ዓቕምን ክምጽእ እንተኾይኑ፡ ምስ ተምሃራይ ገጽ ንገጽ ተራኺብካ ሓበሬታ ክትለዋወጥን መምርሒ ምሃብን ኣገዳሲ ምዃኑ እዞም መምሃራን ይገልጹ። ብመሰረቱ'ውን ሰብ ከም ሓደ ማሕበራዊ ፍጡር ብምዃኑ ብሓንሳብ ዄንካ ክትዋሳእን ክትመሃርን ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ ይብሉ። እዚ ሓዲሸ ኣገባብ ኣመሃህራ ከኣ፡ ኣብ ብሕትው ቦታ ዄንካ ንዘይለመድካዮ ክተተግብር እንከለኻ፡ ተነጽሎን ጭንቀትን ከምኡ'ውን ኣብ መጻኢ ህይወት እቲ ተምሃራይ ይኹን መምህር፡ ኣብ ቅድመ ሰብ ቀሪቦም ከረድኡ ክጸገሙ ከምዝኽእሉ ዶ\/ር ክፍለማርያም የረድእ። እዚ ናይ ኦንላይ ትምህርቲ ብወገን ተምሃሮን መምሃራን ብዙሕ ብድሆታት ከምዘሎዎ'ውን ይገልጽ። \"ብቀንዱ ናይ ICT ወይ ናይ ኦንላይ ትምህርቲ፡ ኮምፒዩተር ኢንተርነት ብግቡእ ኣብዘይባጽሓሉ ሃገራት ከተካይዶ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ኣብ ብሃብታማት ሃገራት ኣብ መንጎ እቶም ኮምፒዩተርን ኢንተርነትን ዘለዎም ሰባት ዓቢ ጋግ ክፈጥር ይኽእል እዩ\" ይብል። እቶም ምስ ተኽኖሎጂን ኢንተርነትን ዝተላለዩ ሰባት ግን፡ ብቐሊሉ ክስዕብዎን ውጽኢታዊ ዝኾነ ትምህርቲ ክቐስሙ ይኽእሉ። መምሃራን እውን እንተኾኑ፡ ብዙሓት ቴክኒካዊ ዓቐሞም ትሑት ብምዃኑ ክሽገሩ ትርኢ'ኻ ይብል። \"መብዛሕትኦም መምሃራን ቅድሚ ኮምፒዩቱርን ኢንተርነትን ስለዝተማህሩ ነቲ ቴክኖሎጂ ብዙሕ ኣይመልክዎን እዮም። እቲ ቴክኒካዊ ዓቕሚ ብቀሊሉ ዝረአ ኣይኮነን። እቶም መምሃራን ፕሮፌሰራትን ዝለዓለ ክእለትን ክለሰ-ሓሳባዊ ዓቕሚ እንከለዎምን እናሃለዎምን፡ ኣብ ተክኖሎጂ ብዙሕ ጸገም ኣለዎም።\" ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ከይተረፈ መምሃራን ብዙሕ ጸገማት ከምዘለዎን ምምህር ጸጋይ ይሕብር። ምስ ስድራ-ቤት ዝነበሩ መምሃራን ሓንቲ ኮምፒዩተር ዘለዎም ከምዝነበሩን፡ ነታ ሓንቲ ኮምፒዩተር ድማ፡ \"ኣዲኡ ኣብኡ ሓፍቱ ይጥቀመላ እንደገና ተምሃራይ ይጥቀመላ-ብዙሓት ተምሃሮ ኮምፒዩተር የብልናን ኢሎም የማርሩ ነይሮም\" ይብል። መንግስትታት ዓለም ዝርጋሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ኩሉ ስድራቤት ኣብ ገዝኡ ክውሸብ ምስ ኣዘዙ፡ እቲ ገዛ ክጸብብ ከምዝገበሮን፡ ክትመሃርን ክትመሃርን ምቹእ ከምዘይኮነ ይገልጽ። ዶ\/ር ክፍለማርያም'ውን ብወገኑ፡ ብኦንላይን ክምህር ወይ ኣኼባ ክመርሕ እንከሎ፡ ደርሆ ክንቊን ቆልዓ ክበክን ክርብሽን ከምዝሰምዕን፡ ነቲ ስራሕ ከምዝዕንቅፍን ይዛረብ። ኣብዚ እዋን ናይ ኦንላይ ትምህርቲ ብዙሕ ጸገማት ከምዘለዎ የመልክት። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ እቲ መንግስቲ ተምሃሮ ከም ዝተጸገሙ ምስ ፈለጠ ናይ ኮምፑተራት ሓገዛት ከምዝገበረ ዝሓበረ መምህር ጸጋይ፡ ኣብ ኣፍሪቃን ኣብ ካልኦት ድኻታት ሃገራትን ብኦንላይ ክትምህር ኣጸጋሚ ምዃኑ ይገልጽ። ትምህርቲ ኦንላይን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋል ዓለምና ኣድማዒ ክኸውን እንተኾይኑ፡ እቲ ዘሎ ጸገማት ብቐንዱ ክእለ ከምዘለዎን ይገልጹ። ኣብ ኣፍሪቃን ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ዘሎ ትሕተ ቅርጺ ኢንተርነት ክምዕብልን ክዝርጋሕን ከምዘለዎ እቶም መምሃራን ይሕብሩ። \"ብመንግስታት ዘድሊ ቆላሕታ ተዋሂብዎ ክሰርሐሉ ኣለዎ። መምሃራን'ውን ተክኒካዊ ክእለታት ክድልቡን ዓቕምታቶም በብግዚኡ ከማዕብሉ ኣለዎም። በብደረጅኡ ዝኸይድ እምበር ዘሊልካ ዝኽየድ ኣይኮነን። ነዊሕ ግዜን ጻዕርን ገንዘብን ዝሓትት እዩ\" ይብል ዶ\/ር ክፍለማርያም። መምህር ላዕለዋይ ደረጃ ጸጋይ እውን ተመሳሳሊ ርእይቶ'ዩ ዘለዎ። ትምህርቲ ውጽኢታዊ ክኸውን፡ እቲ ተምሃራይ ኣብ ክፍሊ ከይዱ ክምሃር ከምዘለዎ ከምዝኣምንን፡ መምህር ድማ ብቐሊሉ ክከታተሎ ዕድል ከምዝረክብ ይገልጽ። ብተወሳኺ፡ ብናይ ኢንተርነት ትምህርቲ፡ ነቲ ኣብ ተምሃራይ ዝዓቢ ዘሎ ፍልጠት ክትመዝኖ ኣጸጋሚ'ዩ ይብል።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53521916"} {"headline":"ኣብ ሳዋ ዝወሃብ መበል 12 ክፍሊ ትምህርቲ ክቋረጽ ጎስጓስ ይካየድ ኣሎ","content":"ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ዋርሳይ ይካኣሎ ሳዋ፡ ዘሎ ኣተሓሕዛ ተማሃሮ ንለበዳ፡ ኮሮናቫይረስ ዘቃልዕ ምዃኑ ብምግላጽ፡ #EndHighSchoolInSawa ዝብል፡ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ሳዋ ከብቅዕ ጎስጓስ ይገብሩ ኣለው። ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበረ፤ ሕጂ ኣብ ስደት ዝነብር ኣቶ መስፍን ሓጎስ'ውን ነቲ ጻውዒት ተቓውሞ: ዘለዎ ደገፍ ብቪድዮ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ሳዋ ተረኺቡ ነቶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ዋርሳይ ይካኣሎ ትምህርቶም ዘጠናቐቑን ወተሃደራዊ ስልጠናን ዝወድኡን መበል 33 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ሞያዊ ስልጠና ክከታተሉ ዝጸንሑ ተማሃሮ ሃማሞስን መሪቑ ። ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ እቶም ተማሃሮ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ማስክ ዘይምግባሮም ነቲ ብኮቪድ ክመጽእ ንዝኽእል ሓደጋን ዝጸንሐ ሻቕሎት ነዳዲ ወሲኹሉ ኣሎ። መዛዘሚ ዓመት፡ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ሳዋ ክቕጽል ኣለዎ ዝብሉ ኤርትራውያን ብወገኖም፡ መንእሰያት ኣብ ሳዋ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ምስ ዝመጹ መዛኑኦም ስለ ዝራኸቡ ባህሊ ሃገሮም ክፈልጡን ሓድነቶም ከትርሩን ከም ዝሕግዞም ይገልጹ። ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ብሕጋዊ ኮነ ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝተመልሱ ዝርከቡዎም፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት እታ ሃገር ተደኲነን ኣብ ዝርከባ መወሸቢ ማእከላት ዝጸንሑ ኣስታት 306 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ከም ዝረኸበት ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና የረድእ። ዛጊት ካብቲ ኣብ ዓለም ዝተመዝገበ መጠን መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ እቲ 5% ጥራይ ካብ ኣፍሪቃ ምዃኑ እኳ እንተተገለጸ፡ እቲ ሓቀኛ ኣሃዝ ብሰንኪ እኹል መመርመራታት ዘይምክያድን፡ ሓቀኛ ሓበሬታ ዘይምሃብን ተሸፊኑ ክኸውን ከም ዝኽእል ኢንተርናሽናል ረስኪዩ ኮሚተ የጠንቅቕ። ኣብ ኤርትራ ካብ ዓመተ 2003 ጀሚሩ፡ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ 11 ክፍሊ ትምህርቶም ድሕሪ ምዝዛም፡ ናይ 12 ክፍሊ ትምህርቶም ንምክትታልን ናይ 2ይ ደረጃ መልቀቒ ፈተና ንምውሳድን ካብ መላእ ሃገር ናብ ሳዋ ክኸዱ ይግደዱ። ጎኒ ጎኒ እቲ ናይ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ከኣ ንከባቢ ሽዱሽተ ወርሒ ዝዘልቕ ክልሰ ሓሳባውን ግብራውን ወተሃደራዊ ስልጠና ይወሃቦም። ኣብቲ ዝወሃቦም ናይ ካልኣይ ደረጃ መልቀቒ ፈተና፡ መሕለፊ ነጥቢ ዝረኸቡ ተማሃሮ ትምህርቶም ንምክትታል ናብ ኮሌጃትን ማእከል ሞያዊ ስልጠና ሳዋን ክምደቡ እንከለው፤ እቶም ዘይሓለፉ ግና ኣብ ዝተፈላለዩ ሚኒስትሪታት፡ ህዝባዊ ትካላትን፡ ትካላት ህግደፍን ሃገራዊ ኣገልግሎት ክፍጽሙይምደቡ። ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ሳዋ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይካኣሎ፡ ኤርትራ ንተምሃሮ ካልኣይ ደረጃ ናብ ደረት-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት እትወስደሉ መገዲ ምዃኑ ከሲሱ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ግና ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ \"እቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተናዊሑ እንተኾይኑ፡ ብምርጫ መንግስቲ ኤርትራ ኣይኮነን። ኣህጉራዊ ሕጋጋት ብዝጠሓሰ ዓማጺ ኣካል ተስገዲዱ እዩ። ስርዓተ ምክልኻል ኤርትራ ንግዳማዊ ኣካላት፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ክጠሓስ እንከሎ ሸለል ንዝበሉን ዘጽቀጡን ናብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይወርድን እዩ\" ኢሉ። ለብዘበን ናይ 11 ክፍሊ ትምህርቶም ዝዛዘሙ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ፈለማ ሰሙን ናይ ወርሒ መስከረም ጀሚሮም ናብ ሳዋ ክኸዱ ተሓቢርዎም ከም ዘሎ ምንጪታት ቢቢሲ ሓቢሮም። ኣቶ መስፍን ንተመረቕቲ 11 ክፍልን ወለድን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ተማሃሮ 11 ክፍሊ ናብ ሳዋ ወሪዶም ትምህርቶም ክዛዝሙ ትእዛዝ ከም ዘመሓላለፈ ብምግላጽ፡ ብዙሓት ብቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይካኣሎ ዝሓለፉ መንእሰያት፡ ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ዘሕለፍዎ ዘስካሕክሕ ተሞክሮ ኣብዞም ናእሽቱ አሕዋቶም ንከይድገም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጎስጓስ ይገብሩ ከም ዘለውን ከም ዘሞግሶምን ተዛሪቡ። ኣስዒቡ'ውን ነቲ \"ኣበጊሶምዎ ዘለው ጎስጓስ ግብራዊ ደገፍ ንምሃብ መንእሰያት ተማሃሮ 11 ክፍሊ፡ ነዚ ስርዓት ኢሳያስ ዘውጽኦ ትእዛዝ ክትነጽግዎ፡ ወለዲ ድማ ጥዕናን ድሕነትን ደቅኹም ብምቕዳም ውሳነ እዞም ዕሸላት ደቅኹም ኣኽቢርኩም ክትሕብሕብዎም ኣጥቢቐ እላቦ\" ኢሉ። ኣቶ መስፍን ነዚ ጻውዒት ከቕርብ ዘገደዶ ምኽንያት ክገልጽ ከሎ፡ \"ኣብ ሳዋ ኣብቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ኮነ ኣብቲ ዋርሳይ ይካኣሎ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ተዓለምትን ተማሃሮን ዘስካሕክሕ በደላትን ግፍዕታትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ክፍጸሙ ጸኒሖም ኣለው\" ብምባል እዞም ሎሚ ብሳዋ ዝሓለፉ መንእሰያት ብማሕበራዊ ሚድያ ዘጋውሕዎ ዘለው ዘሕዝንን ከብድኻ ዝበልዕ ዘቐንዙ ተመኩሮ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ እዩ ክብል ተዛሪቡ። ኣብ ኤርትራ፡ ሓፈሻዊ ትምህርቲ - ካብ መዋእለ ህጻናት ክሳብ ኮሌጃት፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እዩ ተቛሪጹ። ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ብ28 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ መምርሒ ከኣ ንኩነተት ለበዳ እቲ ቫይረስ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ኤርትራ \"ኣብ ኣዝዩ ዘሻቕል\" ኩነታት ከም ዘይበጽሐ ብምግላጽ ተማሃሮ 11 ክፍልን ኮሌጃትን ትምህርቶም ክቕጽሉ ወሲኑ። በዚ ድማ፡ ተማሃሮ 11 ክፍሊ ካብ 6 ሓምለ፡ ተማሃሮ ኮሌጃት ድማ ካብ 13 ሓምለ ጀሚሮም ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክምለሱን ነቲ ዓመተ ትምህርቲ ክዛዝምዎን መምርሒ ኣመሓላሊፉ። ገለ ንጡፋት ማሕበራዊ መራኸቢታት ግና፡ መንግስቲ፡ ንተማሃሮ 11 ክፍሊ ናብ ትምህርቲ ክምለሱ ጻውዒት ምምሕልላፉ ንቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይካኣሎ ናብ ሳዋ ክወስዶም ስለዝደለየ እዩ ኢሎም ክነቕፉ ጸኒሖም። እቶም ዝተረፉ ተማሃሮ መባእታ፡ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃታት ኣብ መወዳእታ ነሓሰ ክጅምሩ ምዃኖም'ውን ተገሊጹ እኳ እንተነበረ ክሳብ ሕጂ ግን ናብ መኣዲ ትምህርቶም ኣይተመለሱን ኣለው። ገለ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ተማሃሮ፡ ምስ ትምህርቶም ዝተሓሓዝ ቪድዮታት ብፍላሽ ዲስክ ከም ዝወስዱን ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ከምዝርእዩዎን ይገብራ ከም ዘለዋ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድ። ቅድሚ ኮቪድ ምምጽኡ ኣብ ዝተፈላለያ ኮሌጃት ዝመሃሩ ተማሃሮ ኣብ ሓደ ክፍሊ ክሳብ ሸሞንተ ሰባት ኣብ ላዕልን ታሕትን ዓራት ከምዝድቅሱ ብምሕባር፡ ሕጂ ተመለሱ ምስተባህሉ እቲ ምትእኽኻብ ንሓደጋ ከየቃልዖም ስግኣት ከምዘለዎም ተዛሪቦም። ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ዓለም ተመሃሮ ናብ ቤት ትምህቶም ክምለሱ ይሕተት እኳ እንተሎ፡ እቶም መንግስታት ኮነ ምኒስትሪታት ትምህርቲ ኩሉ ነገር በቲ ሞያውያን እቲ ዓውዲ ዝሓቱዎን ዝመኽሩዎን፡ ብማሕበራዊ ምፍንታት ከምዝግበር እዩ ዝነገር ዘሎ። ኣብ ኤርትራ ግን ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ኣሻሓት ተማሃሮ 11 ክፍሊ ዝእከቡሉ ትምህርትን ታዕሊምን ዝከየደሉ ቦታ ምስ ምትእኽኻብ ሓደጋ ለበዳ ከየጋጥም እቲ ሕብረተሰብ ዓቢ ስግኣት አሕዲሩ ከምዘሎ ምንጭታትና ንቢቢሲ ሓቢሮም።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53907045"} {"headline":"ሹመት ሓላፊ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ስለምንታይ ተቓውሞ ኣልዒሉ?","content":"ቅድሚ ኣዋርሕ፡ ኣብ ምክልኻል ወራር ዕስለ ኣንበጣ መናእሰይ ኣኪቡ ፈቖዶ ደቡብ ትግራይ ይጎዪ ነይሩ። 'ብርክኻ ይጽናዕ!' ተባሂሉ ድማ ተመስጊኑ። ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ኣብ ፖለቲካ ዝነጥፉ ብዙሓት መናእሰይ ኣለው። ንሱ ግን፡ ኣብ ማሕበራዊ ጸገማት እዩ ዘትኲር። ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ክምህር፡ ካብ መቐለ ናብ ጸው ዝበለ ገጠር ይወፍር ኣሎ። ተኽሊት ሃይላይ ይበሃል። \"ኣብዝሓ ሰብ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ተጸሚዱ ስለዘሎ፡ ከም መንእሰይ ግቡኣይ ከወፊ ዝብል ተበግሶ ኣለኒ\" ይብል። እዚ ኣወንታዊ ባህሪ ካበይ'ዩ ወሪስዎ? ብ1996 ዓ\/ም ካብቶም ንፉዓት ተምሃሮ ሓደ ኾይኑ ናብ ኮሌጅ ኤም ኣይ ቲ [MIT] ኣትዩ፤ እቲ ኮሌጅ ድሕሪ ቀላሚኖ ዝመጽኣ ፍሉይ ኮሌጅ እዩ። ኣብ ውሽጢ ቃላሚኖ እዩ በቚሉ። ሕዚ እቲ ኮሌጅ የለን። ስሙ ምስታ ማሕበር ጎሊሑ ዝለዓል ኣርኣያ ዘሪሁን፥ እዩ ኣመንጪይዎ ነይሩ። ተኽሊት ምስ ኣርኣያ ዘሪሁን፡ ብተደጋጋሚ ናይ ምርኻብ ዕድል ረኺቡ ነይሩ። ነቲ 'ኣያና' ዝብሎ፤ \"ከምኣ ገይሩ እዩ ቀሪጹና\" ይብል። \"ትግራይ ዝሓልፈላ፤ ሰባ እንተተማሂሩ ጥራሕ'ዩ \" ይብል ከምዝነበረ ይዝክር። ኣይተ ኣርኣያ ፍልይ ዘብሎ፡ ካብ ፖለቲካዊ ጽግዕተኝነት ነጻ ምንባሩ እዩ። እኳ ደኣስ ነጻነት እታ ማሕበር ክሕሉ ክብል፡ ብገለ ላዕለዎት ኣመራርሓ ብጽቡቕ ይረአ ኣይነበረን። ኣብ መወዳእታ ዓመታት'ውን በቲ ኣከያይዳ ሕጉስ ከምዘይነበረ ፈለጥቲ ውሽጢ ይዛረቡ። ኣርኣያ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 1999 ዓ\/ም እዩ ዓሪፉ። ማልት ግን ንሱ ብህይወት እናሃለወ ኣብ ክፍፍል ህወሓት 1993 ዓ\/ም እዩ ንፋስ ክኣትዋ ዝጀመረ። ኣብቲ እዋን ፈጻሚ ስራሕ'ታ ማሕበር ዝነበረ ዶክተር ሰለሞን መዝገቦ፡ ንክልቲኦም ጉጅለታት ህወሓት ከተዓርቕ ፈቲኑ 'ኢድካ ኣክብ' ምስተብሃለ፣ ገለ ኣባላት ቦርድ እታ ማሕበር ድማ ፖለቲካዊ ጸግዒ ሒዞም ምንቅስቓስ ምስጀመሩ፡ ብሓፈሽኡ በቲ ኩነታት ስለዘይተሓጎሰ ብገዛእ ፍቓዱ ካብ ሓላፍነቱ ክለቅቕ ተገዲዱ። ዶክተር ሰሎሞን ልክዕ ከም ኣይተ ኣርኣያ 'ዓደይ ከገልግል' ኢሉ ምቹእ ናብራ ኣመሪካን ስድርኡን ገዲፉን ትምህርቱ ኣቋሪጹን እዩ መጺኡ ነይሩ። ደሓር ግን፡ ምፍርራሓት በጺሖምዎ፥ ካብ ዓዲ ከይወጽእ'ውን ተኣጊዱ፡ ብምድሪ ብወገን ሞያለ ኣቢሉ ንኬንያ ከምዝወጽአ ይዛረብ። ነቲ ኩነታት ብዕሊ ዝከታተልን፡ ኣብ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ቀላሚኖን ዝተማህረ ሕዚ ኣብ ደቡብ ኣፍረቃ ተምሃራይ ዶክትሬት ዲግሪ ሃይላይ ኣበራ፡ \"ህወሓትን ማልትን ዳርጋ ተላጊበን እየን ነይረን። እቲ ኣብ ውሽጢ ላዕለዋይ መሪሕነት ህወሓት ዝተፈጥረ ምፍንጫል፡ ልክዕ ኣብ ውሽጢ ማልት'ውን ኣብ ደገ ኾነ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ተንጸባሪቑ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ብጥንቃቐን ተኣመንቲ እቲ ውድብን ጥራይ ምምዛዝ ተጀሚሩ\" ይብል። \"ብፍላይ ናይቲ ዝተስዓረ ጉጅለ ደጋፊ እዩ ተባሂልካ እንተተጠርጢርካ ኣይትጽጋዕን።\" ከምቲ ኣብ ውሽጢ ምክልኻል ሃገር ኣጋጢሙ ዝነበረ፡ ኣብ ወጻኢ ዝነበራ ጨንፈራት'ታ ማሕበር'ውን ተኸፋፊለን ነይረን እየን። ብፍላይ ብተበግሶ ገለ ላዕለዎት ኣመራርሓ ከይተረፈ፡ ማሕበር ልምዓት ወረዳታት ክጣየሻ ምግባር፡ ኮነ ተባሂሉ ነታ ማሕበር ንምድኻም ዝዓለመ ከምዝነበረ ይዛረብ። ካብኡ ንደሓር፡ እታ ማሕበር ተሳልጦም ዝነበሩ ገለ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት'ውን ተቛሪጾም፡ ሕምስምስ ኣትዩዋ እዩ ጸኒሑ። ካብ 2011 ዓ.ም ወርሒ ሕዳር ግን፡ ሓደሽቲ ኣባላት ቦርድ ተመሪጾም ምንቅስቓስ ጀሚሮም። 'ካብ ፖለቲካዊ ጽልዋ ነጻ እዩ' ተባሂሉ ዝእመነሉ ኣይተ ታደሰ የማነ፡ ኣቦ መንበር ቦርድ እታ ማሕበር ኾይኑ። ናይ ካልኦት ግዱሳት ጎስጓስ ተሓዊስዎ ኣብ ደገን ኣብ ወጻእን ዘሎ ትግራዋይ ኣብ ጎኒ ማልት ዓሲሉ። ታደሰ የማነ ድማ፡ ዳግማይ ኣርኣያ ዘሪሁን ክሳብ ክበሃል በቒዑ ነይሩ። እንተኾነ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝኾነ ዶክተር ኣክሊሉ ሃይለሚካኤል፡ ዋና ፈጻሚ ስራሕ 'ታ ማሕበር ክኸውን በቲ ንሱ ዝመርሖ ቦርድ ዕላዊ ምስ ኮነ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተቓውሞ ኣልዒሉ። ብፍላይ ምስ ትካላዊ ነጻነትን ፖለቲካዊ ጽግዕተኝነትን ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ክለዓሉ ቐንዮም። ካልኦት ደማ፡ ኣብዝሓ ገለ ደገፍቲ ህወሓት፤ ናይቲ ዝተሾመ ውልቀ ሰብ ዝፈልጥዎ ብቕዓትን ውጽኢታዊነትን እናመስከሩ፡ 'እንታይ'ሞ ጸገም ኣለዎ\" ዝብል ድምጺ ከስምዑ ተራእዮም። ታደሰ የማነ ሓዊሱ፡ እቶም ኣባላት ቦርድ፡ ኣብ መርገጺኦም ጸኒዖም ነቶም ዝቐረቡ ስክፍትታትን ተቓውሞታት ክከላኸሉ ተስተውዒሎም። ዝተረፉ ግን ተቓውሞኦም ቀጺሎም፡ ናብታ ማሕበር ዕላዊ ደብዳበ'ውን ኣእትዮም። ገብረህይወት ሓድሽ ኣብ መቐለ ዩኒቨርሲቲ፡ ኣብ ኮሌጅ ሕጊን ምሕደራን መምህር ሕጊ እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ ኣብ ሃገረ ቤልጂም ዩኒቨርሲቲ ከይ ዩ ሉቨን፡ ንዶክተሬይት ይመሃር ኣሎ። \"ኣነ'ውን እቲ ውሳነ ምስ ሰማዕኩ ሰንቢደ\" ይብል ንቢቢሲ። ሓደ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ፖለቲካዊ ውድብ ቀንዲ ናይቲ ማሕበር ፈጻሚ ስራሕ ገይርካ ምሻም\/ምምዛዝ፡ ነጻነት ናይታ ማሕበር ከምዝዳፋእ እዩ ዝኣምን። ገብረህይወት፡ እቲ ውሳነ ብብርኪ ሃገር ምስ ዝወጽአ ኣዋጅ ነጻ ማሕበራት'ውን ከምዝጻባእ እዩ ዝገልጽ። ዓንቀጽ 2 እቲ ከም ብሓድሽ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ 1113\/2019፡ ብዛዕባ ሓደ 'ሲቪል ማሕበረሰብ' ዝበሃል \"ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ውድብ ነጻ ዝኾነ\" ክብል እዩ ዝገልጾ። ዓንቀጽ 16 (7) ድማ፡ \"ውሽጣዊ ኣሰራርሕኡን ዲሞክራስያዊነት ዝተኸተለ፣ ኣድልዎ ዘይብሉ፣ ነጻን ገለልተኛን ክኸውን ይግባእ\" ይብል። ታደሰ የማነ፡ 'ብሕገ ደንቢ'ቲ ማሕበር' ይውስን ዝብል ዓንቀጽ 19'ቲ ኣዋጅ ጠቒሱ፡ \"ብመተሓዳደሪ ደንቢ መሰረት ኢና ፈፂምና\" ዝብል ምላሽ ሂቡ እዩ። ኣብ ሕጊ፡ ክፍተት የለን ዝብል መርገጺ ኣለዎ። ብርግጽ፡ በዓል ሞያ ሕጊ ኣይተ ገብረህይወት፡ እቲ ማሕበር ዝደለየ ሕገ ደንቢ እንተውጽኣ፡ ምስ'ቲ ሃገራዊ ኣዋጅ ዝቃረን እንተኾይኑ፡ ብሱሩ'ውን ከሰርዞ ዝኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎ። ምናልባሽ፡ ኣብቲ ሓድሽ ሃገራዊ ኣዋጅ ሲቪል ማሕበራት፡ ንናጽነት እዘን ማሕበራት ዝምልከቱ ሓደሽቲ ዓንቀጻት ስለዝተወሰኹ፡ መተሓደዳሪ ደንቢ ማልት ምስኡ ዝሳነ ምኳኑ ክፍተሽ ከምዘለዎ ድማ ይሕብር። እታ 'ዳግማይ ኣርኣያ' እትብል ሳጓ እናሰኣና ዝመጽአ ዘሎ ዝመስል ኣይተ ታደሰ፡ ነዚ ክትዕ'ኳ እንተዘይተቐበሎ፡ \"ኩላትና ዘሰማመዐና ዝመስለኒ ናይዚ ኹሉ ቀንዲ መተሓዳደሪ ደንብና ብፅፈት ይመሓየሽ ዝብል እዩ\" ክብል ግን እቲ ጌጋ ካበይ ከምዝምንጩ ዝኣንፈተ ይመስል። ገለ ኣባላት እቲ ቦርድ ድማ ኣባል ኣመራርሓ ህወሓት እዮም ተባሂሎም'ውን ስለዝሕመዩ፡ ምምሕያሽ እቲ ሕገ ደንቢ ንኹሉ ፍታሕ ክህብ ይኽእል እዩ ዝብል ርእይቶ ኣሎ። ካልእ ኣባል እቲ ቦርድ መምህር ሃንሳ ተኽላይ፡ \"ናብ ውልቃዊ ኣለሻ [head hunting] ዝኣተናሉ ምኽንያት፡ በቲ ኣሰራረሓ መሰረት ክፍቲ ናይ ሰራሕ ቦታ ኣውጺእና፡ ዘዕግብና ሰብ ስለዘይረኸብና እዩ\" ትብል ንቢቢሲ። \"ርግጽ፡ እቶም ነቲ ቦታ ይምጥኑ እንብሎም ሰባት በዚ ደመወዝ ክሰርሑ እዮም ኢልና ኣይኣመናን። ምናልባሽ፡ ንእሽቶ ስለዝሃጸጽና ጌጋ ፈጺምና ንኸውን\" ትብል። እንተኾነ፡ ንሳ'ውን እቲ ዋና ስራሕ ፈጻሚ ኣባል ህወሓት ምዃኑ ከምዘየሰክፋን፡ እቲ ቦርድ ስለዝቆጻጸሮ ዘስዕቦ ጸገም ከምዘይህሉን እያ ትኣምን። ገብረህይወት ግን፡ ከምዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ኣብ ካልኦት ዓድታት ብጣዕሚ ኣቕሊልካ 'ውን ከምዘይረአን ናይ ጥቕሚ ግጭት ከምዘስዕብን ይዛረብ። \"ሓደ ሓደ ሰባት ናይ ጥቕሚ ግጭት እንትበሃል፡ ብግብሪ ጥራሕ እዮም ዝሓስቡዎ ዘለዉ። ዋላ እውን ብተግባር ናይ ጥቕሚ ግጭት እንተዘይተራእየ [Potential conflict of interset] ብኣተሓሳስባ ደረጃ ጥራሕ ጥርጣረታት ስለዘስዕብ፡ እቲ ትካል ድጋፍን እምነትን ኣባላቱ ከምዝስእን ክገብሮ ይኽእል እዩ\" ይብል። \"ብጭቡጥ'ውን፡ ሓደ ናይ ህወሓት ኣመራርሓ ንዝመርሓ ትካል ከመይ ገይሩ ናብ'ቲ ናይ ውድብ ረብሓ ከምዘውዕሎ እቲ ህዝቢ ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ።\" ዓንቀጽ 62'ቲ ሓድሽ ኣዋጅ፡ ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ናይ ጥቕሚ ጎንጺ ዘስዕብ ዝኾነ ነገር ከይፍጠር ጥንቃቐ ክግበር ይሓትት እዩ። ስለምንታይ ሕዚ? ድሕሪ ሕልፈት ኣርኣያ ዘሪሁን፡ ተኸታተልቲ ዋና ፈጻምቲ ስራሕ'ታ ማሕበር ካብ ኣመራርሓ ህወሓት ኮይኖም'ዮም ጸኒሖም። እቲ ውድብ፡ ባዕሉ ዘይቆጻጸሮ ዝኾነ ነጻ ማሕበር እንተሪኡ ይስንብድ ነይሩ ይብልዎ፡ ናይ 3 ዓሰርተ ዓመታት ጉዕዞ ዘስተውዓሉ ተዓዘብቲ። ብፍላይ ኣብ ትግራይ ኣብዝሓ ማሕበራት ሓፋሽ ኮና ሚድያታት ናይቲ ውድብ ጽግዕተኛታት ኮይነን እየን ጸኒሐን። ነቲ ሰልፊ ዘይድግፋ እንተዘይኮይነን ዕድመአን ሓጺር እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ 1993 ዓ\/ም ሓንቲ ወጋሕታ እትብሃል ጋዜጣ ነይራ። ንመጀመርታ እዋን ኣብ ልዕሊ ህወሓት፡ ትነቅፍ ዝነበረት ናይ ትግርኛ ጋዜጣ እያ። ካብኡ ኣጋውሎኣ ዘይማእመኦም ሰባት፡ 'ጽልግልግ' ዝብል ስም ኣውጺኦምላ። እታ ኣሰናዳኢት ብርሃን ሃይሉ ካብ ሓይልታት ጸጥታ ጸቕጢ በጺሕዋ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ከኣ ካብ ዓዲ ክትወጽእ ከምዝተገደደት ትዛረብ። እታ ጋዜጣ 'ውን ኣብ ሓደ ዓመታ ብኣ ኣቢላ ቅሂማ። ብድሕሪኣ'ውን ብዙሓት ፈቲነን ቅሂመን። ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ፣ ማሕበር መናእሰይ ኩሎም ናይ ህወሓት መሳርሒ ኮይኖም እዮም ጸኒሖም ይብል ገብረ ህይወት። \"ኣብ ትግራይ ዘለዋ ሓፋሽ ማሕበራት ብቐጥታ ብኣባላት [ህወሓት] ዝምራሓ እየን\"። ገለ ካብቲ ውድብ ዝሓስቦ መገዲ ውጽእ ዝበለ ምትእኽኻብ፡ ናይ ጸላኢ መሳርሒ ገይርካ ናይ ምቑጻር ዝንባለታት ልሙድ እዩ ነይሩ። ዘጽልእን ዘካፍእን ኣስማት ከኣ ይልጠፍዎ። እንተኾነ፡ ኣብቲ ኣብ ወርሒ የካቲት 2009 ዓ\/ም ዝተኻየደ 45 መዓልታት ዝወሰደ ገምጋም፤ ባዕሉ ውድብ ህወሓት 'ጸረ ዲሞክራስያዊ ኣተሐሳስባት ዓሲሉኒ ነይሩ' ኢሉ ገምጊሙ እዩ። ሓደ ካብኡ፡ \"ሓፋሽ ማሕበራትን ሲቪክ ማሕበራትን ብነጻነት ከይንቀሳቐሳ ዓምጺጽና ተቖጻጺርናየን ጸኒሕና\" ዝብል ብርቱዕ ሓሳብ ድማ ይርከቦ። ብድሕሪኡ፡ መጠናኛ ምምሕያሽ ተራእዩ። ፈለማ ከም ጸላእቲ ተበይነን ዝነበራ፡ ከም በዓል 'ሰብ-ሕድሪ' ዝኣመሰላ ነጻ ማሕበራት ብነጻነት ክንቀሳቐሳ ጀሚረን። ሕዚ ኣብ ማልት ዝተረአየ ክስተት ግን፡ 'ንምዃኑ እቲ ውድብ ብእማን ተለዊጡ ድዩ?' ዝብል ዓበይቲ ጥርጣረታት የልዕል ኣሎ። መንእሰይ እውን ዓው ኢሉ ይዛረብ ኣሎ። ገብረህይወት፡ ብኽልተ መልክዕ እዩ ዝርእዮ። ሓደ፡ ካብቲ ናይ'ቲ ውድብ ገምጋም ተልዒሉ፡ ተስፋ ተገይሩ ነይሩ። ካልኣይ ድማ፡ እቲ መንእሰይ ሕዚ ደፊሩን ዓው ኢሉን ምዝራብ ዝጀመረሉ ምኽንያት፡ ናይቲ መንእሰይ ንቅሓት እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ላዕለወት ሓለፍቲ መንግስቲ ክልል ትግራይ'ውን ዝተረኸብሉ፡ ኣብ መቐለ ሓደ ዕውት ዝበሃል መድርኽ መተኣኻኸባቢ ገንዘብ ተዳልዩ ነይሩ። ኣብቲ መድረኽ ካብ ዝተረኸቡ ሓደ፡ ኣቦ ወንበር ባይቶና ዓባይ ትግራይ ኣይተ ኪዳነ ኣመነ ከምዚ ክብል ስክፍትኡ ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ። \"ዝበዝሕ ግዘ እቲ መንግስቲ፡ ልምዓት ኮነ ኩሉ ነገር ብኢዱ ክሓልፍ እዩ ዝደሊ፤ ብኡ ኣቢሎም ድማ ንፖለቲካዊ ሃልክትታት እዮም ክጥቀምሉ ዝደልዩ። እቲ ሕዚ ዘሎ ግዝኡ ዝሓለፎ መሓውር መንግስቲ ሒዝካ ምስራሕ'ዶ ይከኣል?\" ዝብል። እቲ ዝተምሃረሉ ኮሌጅ 'ኤም ኣይ ቲ' ምዕጻዉ ወይ ድማ ናብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምልጋቡ፡ ዘሕዝኖ መንእሰይ ተክሊት ሃይላይ፡ እቲ ውሳነ ሙሉእ ንሙሉእ ፖለቲካዊ ነይሩ ይብል። 'ንምንታይ?' ንዝብል ሕቶ፡ \"ንዓይ ከምዝተረደአኒ፡ 'ከምቲ ዝደለናኩም ኣይኮንኩምን 'ካድራዊ ባህሪ ኣይሓዝኩምን' እዩ\" ኢሉ። እቲ ናይ ሕዚ ውሳነ'ቲ ቦርድ ድማ እንተዘይተቐይሩ፡ ነቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ምልዕዓል ንሓዋሩ ከዕንቅፎ እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎ። \"ዓብዪ ስግኣት እዩ ዘለኒ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ግን፡ ከም ተጋሩ ንእሽቶ ጌጋ'ውን ንምቕባል ድልውነት የለን\" ይብል። ማልት ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ቅድሚ 30 ዓመት ብግዱሳት ተጋሩ ካብ እትምስረት ጀሚራ፡ ድሕረትን ድኽነትን ንምቕራፍ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ትምህርት ጥዕናን ኣትኲራ እያ ሰሪሓ። ህንጸት ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ሓዊሱ፡ ብርክት ዝበላ ማእከላት ጥዕናን ትምህርትን ሃኒጻ። ሕዚ'ውን 'ስቴት ዩኒቨርሲቲ ትግራይ' ከይተረፈ ንምህናጽ ትህቅን ኣላ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53077909"} {"headline":"ኣብ ትግራይ ብስልኪ ትምህርታዊ ኣገልግሎት ይወሃብ ኣሎ","content":"ኣብ ትግራይ ብስልኪ ትምህርታዊ ኣገልግሎት ይወሃብ ኣሎ፤ እቲ ኣገልግሎት ፈተነ ትምህርቲ ኣብ ስልኪ ብፅሑፍ (ተሌ ቱተሪንግ) ኣብ መቐለ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ፈለገ ህይወት እዩ ዝወሃብ ዘሎ። ብሰንኪ ለበዳ ኮረናቫይረስ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብያተ-ትምህርቲ ክዕፀዋ ከምዝወሰነ ይፍለጥ። ተምሃሮ ኣብ ገዛ ብምውዓሎም ካብ ትምህርቲ ከይበኹሩን እቲ ዝወስድዎ ዝነበሩ መስርሕ ትምህርቲ ክቕፅልን ዝዓለመ መደብ ይካየድ ኣሎ። እቲ መደብ ብምትሕብባር፡ ቢሮታት ሳይንስን ቴክኖሎጅን ትምህርትን ምስ እርግብ ኣገልግሎት ትምህርቲ ይወሃብ'ሎ። ኣተሓባባሪት እቲ ውጥን ኢንጅነር ኣስቴር ይተባረክ ንቢቢሲ እንትገልፃ፡2000 ተምሃሮ ቤት-ትምህርቲ ፈለገ ህይወት ኣብ ገዛኦም ኮይኖም ይመሃሩ ኣለዉ ኢለን። \"ተምሃሮ ትምህርቲ ተዓፅዩ እዩ ኢሎም ካብ መኣዲ ትምህርቲ ከይርሕቑ፣ ኣብ ገዛ እንትውዕሉ ምስ ወለዶም ኰይኖም፡ ኣብ ትምህርቲ ክፅመዱ ንምኽኣል፣ ትምህርቲ ዘላቒ ምዃኑ ክፈልጡን ምስ መማህራኖም ከይበታተኹን ዝሕግዝ መደብ እዩ\" ኢለን ኢንጅነር ኣስቴር። ብመሰረት እዚ ናብ ሕድሕድ ተምሃራይ፡ 1,050 ፅሑፍ ብስልኪ ንምልኣኽ፡ ቢሮ ሳይንስን ቴክኖሎጂን 50 ብር ይኸፍል። መምሃራን ስልጠና ብምውሳድ፡ ተምሃሮ ኣየናይ ዓይነት ትምህርትን ንፁር ኣርእስትን ምስ ዕዮ ገዛ መዓልታዊ ናብ ተምሃሮ ይልእኹ። ብሰንኪ እቲ ለበዳ ትምህርቲ ምቁራፁ ስዒቡ፡ ቢሮ ትምህርቲ ኣገልግሎት ትምህርቲ ብሬድዮ ይህብ ምህላዉ ይፍለጥ። ኢንጅነር ኣስቴር ግን ተምሃሮ ንትምህርቲ ብሬድዮ ብቐልቢ ኣይከታተልዎን ዝብል እምነት ኣለወን። ውፅኢታዊ እዩ ተባሂሉ ዝተኣመነሉ፡ ናብ ነብሲወከፍ ተምሃራይ ኣብ ስልኪ ብፅሑፍ ብምልኣኽ፡ ንወለዲ ስልኪ እናደወልካ ምክትታል እዩ ይብላ። ወለዲ በቲ ዝወሃብ ዘሎ ኣገልግሎት ሕጉሳት ምዃኖም ይገልፁ ኣለዉ ዝብላ ኢንጅነር ኣስቴር፡ ወለዲ ባዕሎም ስልኪ ብምድዋል ክትትል ይገብሩ ኣለዉ ኢለን። ርእሰ መምህር ቤት-ትምህርቲ ፈለገ ህይወት ገብረኺዳን ኣድሓኖም፡ እቶም ተምሃሮ ካብ ክፍልትታ ቀዳማይ ክሳብ ሻምናይ ዝመሃሩ ኰይኖም፡ ዝበዝሑ ህፃናት እዮም ኢሎም። እዞም ህፃናት ናብ ፀወታ ስለዘዘዝዉ ጠቕሊሎም ከይርስዕዎ፡ ሓጋዚ መደብ ትምህርቲ ይወሃብ ምህላዉ ንቢቢሲ ገሊፆም። \"ምስቲ ሕማም ጥንቃቐ ክንገብር ስለዝግባእ፡ ኣብ መዓልቲ ክልተ ወይ ሰለስተ መማህራን ኢና ንፅውዕ፤ እታ ዝህብዋ ትምህርቲ እሞ ድማ ካብታ ጠጠው ዝበሉላ ብናይ ኢድ ስልኪ ብፅሑፍ ክልእኹሎም ንገብር ኣለና። ብመሰረት'ዚ ወለዲን ተምሃሮን ሕጉሳት ምዃኖም ኣረጋጊፅና ኣለና\" ኢሎም። ንቢቢሲ ርእይትኦም ዝሃቡ ወለዲ ብግደኦም፡ ነቲ ሕማም ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ፡ ደቆም ኣብ ገዛ እንትውዕሉ ካብ ትምህርቲ ዝተፈለዩ መሲሉ ከይስመዖም፡ እቲ ዝወሃብ ዘሎ ኣገልግሎት ትምህርቲ ፅቡቕ ሜላ ምዃኑ ይዛረቡ። እቲ መደብ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ፈለገ ህይወት ንፈተነ ዝወሃብ ዘሎ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ። ቤት-ትምህርቲ ፈለገ ህይወት፡ ተምሃሮ ካብ ቤት-ትምህርቲ፡ ዘይተኣረመ ጌጋ ሒዞም ከይወፅኡ ብምግባር፡ ካብ ጌጋ ሓራ ንምውፃእ ዝዓለመ ኣብ ኢትዮጵያ ክፍፀም ዝተጀመረ ውጡን ዝካየደላ ዘሎ ብሕታዊ ቤት-ትምህርቲ ኢያ። እቲ ለበዳ ምስ መፅአ ግን ተምሃሮ ኣብ ገዛ እንከለዉ ዝመሃርሉ ሜላ ከምዝተምሃዘ መግለፂ ኢንጅነር ኣስቴር ይተባረክ የረድእ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52148190"} {"headline":"ተሸላሚት ኖበል ማላላ ዩሳፍዛይ ቀዳማይ ዲግሪ ወዲኣ","content":"ንመሰላት ደቂ-ሰብ እትጣበቕ ማላላ ዩሳፍዛይ፡ ኣብ ኣብ ኦክስፎርድ ዩኒቨርሲቲ ትምህርታ ከምዝወደኣት ሓቢራ። ንሳ፡ ናይ ዩኒቨርሲቲ መርመርኣ ምስ ወደኣት፡ \"ዝተሰመዓኒ ሓጐስ ወሰን የብሉን\" ክትብል ጽሒፋ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ከኣ \"ኣብ ቅድመይ እንታይ ይጽበየኒ ከምዘሎ ኣይፈልጥን\" ክትብል'ውን ኣስፊራ። እታ ጓል 22 ዓመት፡ ኣብ ኦክስፎርድ ዩኒቨርሲቲ ፖሎቲካ፤ ፍልስፍና ከምኡ'ውን ስነ-ቁጠባ እያ ትመሃር ነይራ። ማላላ፡ ጓል 11 ዓመት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ንቢቢሲ-ኡርዱ ብዛዕባ ህይወታ ብስቱር ዕለታዊ መዝገብ ከተመሓላልፍ ጀሚራ። ኣብ 2012 ድማ ኣብ ወፍሪ ትምህርቲ-ኣዋልድ ብተወፋይነት እናሰርሐት ብሓደ ወተሃደር ጣሊባን ኣብ ርእሳ ብጥይት ተወቒዓ። መውጋእታ ምስተነግረ ብኡ-ንብኡ ኣቓልቦ ዓለም ስሒቡ። ማላላ፡ ካብቲ መውጋእቲ ምስ ሓወያት ኣብ ኣህጕራዊ መድርኽ ወጺኣ ብትምህርቲ ቖልዑን መሰላት ደቂ-ሰባትን ብዓውታ ናይ ምጉስጓስ ስርሓ ቀጸለቶ። ምስ ኣቦኣ፡ ዝያዲን፡ ኰይና ድማ ማላላ-ፋንድ ዚብል ትካል መስረተት። እቲ ትካላ ድማ \"ኵለን ኣዋልድ ንክምሃራን ከይፈርሃ ንክነብራን\" ዝጉስጉስን ዝሰርሕን እዩ። ኣብ 2014፡ ማላላ፡ እታ ብዕድሜኣ ዝነኣሰት ተሸላሚት ብልጫ-ኖብል ኰይና ተመርጸት። ነቲ ኖበል ምስ ህንዳዊት ተቓላሲት፡ ካይላሽ ሳትያርቲ እያ ተኻፊላቶ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/53088974"} {"headline":"\"ቖልዓ ሓዚለ ትምህርቲ ክምዝገብ ናብ ዩኒቨርሲቲ ከይደ\"፡ ዶክተር ኑርዓይኒ መሓመድ","content":"ዝተደራረቡ ሓላፍነታት ተሰኪማ እትኸይድ ብምዃና \"ጓል ኣንስተይቲ ኩሉ ነገር'ያ\" ዝብል ኣምር ክገልጻ ዝኽእል ጠንካራ ሰብ'ያ። ኣደ፣ ኣላይት ስድራ፣ ኣገልጋሊት ህዝቢ፣ ተመሃሪትን ሰራሕተኛን እያ። ኩሎም ኣብ ህይወታ 'ክፍጽሞም ኣለኒ' ኢላ እትኣምነሎም ምስ ግዜ ተጓይያ ቦታ ቦትኦም ክሕዙ ትገብር። ዶክተር ኑርዓይኒ መሓመድ ሓጎስ፡ በዓልቲ ሞያ ጠቕላላ ሕክምና፣ ኣደን በዓልቲ ሓዳርን'ያ። ቖልዓ ሸሞንተ ወርሒ ሒዛ ዝጀመረቶ ትምህርቲ ሕክምና ካልእ ካብ ዝውለድ 22 መዓልቲ ዝኾኖ ቖልዓ ሒዛ 24 ነሓሰ 2020 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ብዝለዓለ ነጥቢ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ተመሪቓ። ነቲ ተሸላሚት ወርቂ ሜዳሊያ ዝገበራ ዓወት ንምርካብ ዝሓለፈቶም ፈተንቲ እዋናትን ሚስጢር ዓወታ ዝኾነ ጥንካርኣን ዝምልከት ድማ ኣካፊላትና፤ ከምዚ ዝስዕብ ድማ ተዘንትዎ። ዶክተር ኑርዓይኒ መሓመድ ሓጎስ ኑርሑሴን ይብሃል፤ ተመራቒት ጠቕላላ ሕክምና ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም'የ። ኣብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ወርዒ ለኸ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ፍሉይ ሽሙ እንዳ'ባ ጻሕማ ዝበሃል ከባቢ ተወሊደ፤ ኣብኡ'ውን ተማሂረ። ክልተ ብትምህርተን ንፉዓት ዝነበራ ኣሕዋተይ ኣብ ሞንጎ ስለ ዝተመርዓዋ ትምህርቲ ኣቋሪጸን። ኣነ ግን መምሃራነይ ንወለደይ ጸቕጢ ይገብሩሎም ስለ ዝነበሩ ክመሃር ክኢለ። ካብ ቀደሙ፡ ናይ ደረጃ ተመሃሪት እየ፤ ተመሃሪት 12 ክፍሊ ኮይነ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ነጥቢ እንተኣምጻእኹ'ውን ብዝተፈላለዩ ተጓንፎታት ናብ ክፍሊ ትምህርቲ ሕክምና ዘእቱ ነጥቢ ኣየምጻእኩን። በዚ ምኽንያት፡ ቀዳማይ ምርጫይ እንተዘይኮነ'ኳ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ብ'ሄልዝ ሳይንስ' ቀዳማይ ዲግሪ ክመሃር ተመዲበ። ሕክምና ዓይኒ (ኦፕቶሜትሪ) ድማ ንኣርባዕተ ዓመት ኣጽኒዐ ብ2003 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ጽቡቕ ነጥቢ ሒዘ ተመሪቐ። ናብ ትግራይ ምስ መጻእኹ ኣብ መቐለ ሆስፒታል ኲሓ ሕክምና ዓይኒ ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ክሰርሕ እንከለኹ፡ ተገልገልቲ ዘመስግኑኒ በዓልቲ ሞያ ኮይነ ኣሕሊፈዮ። ኣብ መቐለ ኲሓ ሕክምና ዓይኒ ክሰርሕ ከለኹ በዓልቲ ሓዳር ኮይነ ክልተ ቖልዑ ወሊደ ነይረ። ናይ መጀመርታ ቖልዓ ምስ ወለድኩ፡ እቲ ወትሩ ዝምነዮ ዝነበርኩ ናይ ሕክምና ትምህርቲ ተመሊሰ ክኣትዎ ይሓስብ ነይረ። ሃንደበት ነፍሰ ጾር ምዃነይ ምስ ፈለጥኩ ተስፋ ቖሪጸ ገዲፈዮ ነይረ። ግን ድማ በዓል ሓዳረይ ዓቕሚ ከም ዘለኒ ስለ ዝኣምን፡ 'ኣይፋል፡ ትኽእሊ ኢኺ፤ ኪዲ ተመሃሪ' ኢሉ ደፋፊኡ ተስፋ ይህበኒ። ስለዚ፡ ጠቕላላ ሕክምና ንክትመሃር ኣብ ዝገብር 'ኢኖቬቲቭ ሜዲካል ኤጁኬሽን' ዝበሃል ሓድሽ ስርዓተ ትምህርቲ ኣመልኪተ። ብደረጃ ሃገር ተፈቲነ ጽቡቕ ነጥቢ ስለ ዘምጻእኹ፡ ብ2007 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ክመሃር ዕድል ረኺበ። እቲ ዝገርም፡ ክምዝገብ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ክመጽእ ከለኹ ወደይ ናይ ሸሞንተ ወርሒ ህጻን [2ይ ውላደይ] ስለ ዝነበረ፡ ሓዚለዮ እየ ኸይደ። ካብ መቐለ ናብ ኣክሱም ክኸይድ ከለኹ፡ ብዝኾነ ኣጋጣሚ ኣብ ኣክሱም ሓንቲ ዝፈልጣ ሰብ ስለ ዝነበረት፡ ንሳ ክትሕዘለይ እሞ ከይደ ክምዝገብ እዩ ነይሩ ሓሳበይ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣይጥዓማን። ዝነበረኒ ኣማራጺ ሓዚለዮ ምኻድ ስለ ዝነበረ፡ ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ምስ ኸድኩ \"ናበይ ደሊኺ?\" ኢሎምኒ። \"ትምህርቲ ክምዝገብ\" ኢለዮም። \"ኣይኸውንን፤ ቐልዓ ሓዚልክስ ክትመሃሪ? በሊ ኺዲ ኣቐሚጥክዮ ምጽኢ\" ኢሎም ምእታው ከልኪሎምኒ። ድሓር፡ \"ካብ ርሑቕ እየ መጺአ፣ ሰብ የብለይን ኣበይ ክገድፎ\" ኢለ ብክንደይ ጉድ ኣትየ ተመዝጊበ፤ ከቢድ ነይሩ። ስሩዕ ትምህርቲ ክጅምር ከለኹ፡ ወደይ ናይ 10 ወርሒ ህጻን ኮይኑ ምስ በዓል ቤተይ ኣብ መቐለ ገዲፈዮ ናብ ኣክሱም መጺአ። በዓል ገዛይ'ውን ኣብ ሕክምና ተንከፍ ዓውዲ ስለ ዘሎ ቖልዓ ኣብ ምሕብሓብ ንፉዕ'ዩ፤ ንደቀይ ኩሉ ነገር . . . መግቦም ኣዳልዩ ብኣግባቡ'ዩ ዝከናኸኖም። ግን ድማ ከብዲ ኣደ ቦቕቧቕ'ዩሞ፡ ደቀይ ክሓሙ ከለኹ ውሽጠይ ይነግረኒ፣ ይጭነቕን ይናፍቕን ከኣ። ወትሩ ኣብ ክልተ ቅነ ሓደ ግዜ ናብ መቐለ ይመላለስ ነይረ፤ ዓርቢ ምሸት ከይደ ሰንበት ይምለስ። እቲ ዝንበብ ኣብ ካልእ ግዜ ወሳሲኸ ኣንቢበ፣ ናይ መጓዓዚያ ወጻኢታት'ውን ኣሎ ኩሎም ተደራሪቦም ከቢድ'ዩ ነይሩ። ዓላማኻ ነጺርካ መኽየዲ መገድኻ እንተፈሊጥኻዮ ቐጺሉ ዘሎ ነገር ቀሊል እዩ፤ ኣነ ድማ እቲ ዝደልዮ ኣነጺረ ኣለኹ፤ ድሓር እቲ ወሳኒ ነገር ጻዕሪ'ዩ። ኢድ ብኢድ ዝኸውን ነገር ስለ ዘየለ ግዜኻ ብኣግባቡ ክትጥቀም ኣለካ። ግን ከምዚ ፈተና ክበዝሕ ከሎ ጠንካራ'ዩ ዝገብረካ። ዕላማኻ ክተዐውት ስለ እትጽዕር ጥንቁቕን ጠንካራን'ዩ ዝገብረካ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ዝኸደን መገዲታት ተጠንቂቐ ክኸይድ'ዩ ገይሩኒ። መወዳእትኡ ጽቡቕ ኮይኑ ንኹሉ ድኻመይ ዘከሓሕስ ውጽኢት ረኺበ። ብኸምዚ፡ ዝነበረኒ ስራሕን ደሞዝን ገዲፈ ከም ሓድሽ ትምህርቲ ክጅምር ወሲነ እቲ ቀዳማይ ምርጫይ ዳሕራይ ረኺበዮ። መጀመርታ ከይተሳኽዐለይ ምስ ተረፈ፡ ሕክምና ይኽእሎ'የ ዝብል ኒሕ ስለ ዝነበረኒ፡ እቲ ዳሕረዋይ ዕድል ከምልጠኒ ኣየፍቀድኹን። ኣነ ክመሃር ብዙሕ መስዋእቲ ገይረ እንድየ፤ ግን ድማ ደቀይን በዓል ሓዳረይን'ውን ማዕረ መስዋእትነት ከፊሎም'ዮም። በዓል ቤተይ ሓላፍነት ተሰኪሙ'ዩ ጸኒሑኒ። ሐዚ ድሓን ክሒሰዮም'የ ኢለ ይሓስብ፤ ብቐጻሊ'ውን በዚ ሞያ ጽቡቕ ነገር ሰሪሐ ዝበለጸ ክክሕሶም'የ ዝሓስብ። እዚ ትምህርቲ ከጽንዕ ከለኹ፡ ንዓይ ፈታኒ ዝነበረ ቖልዑ ምእላይ፣ ናብ ቤተሰብ ምምልላስ፣ እቲ ናይ ሕክምና ትምህርቲ'ውን ናይ ተግባር ትምህርቲ ስለ ዝበዝሖ ንዕኡ'ውን ምክእኣል ግዜ ይሓጽረኒ ነይሩ። ግን ድማ እታ ዘላትካ ንጽባሕ ዘይምባል፣ ፈተና ከጋጥም ከሎ ኢድካ ዘይምሃብ፣ መፍትሒታት ኣቐዲምካ መገድኻ ምቕጻል ተማሂረሉ'የ። ክሳብ ሕዚ ኣብ ዙርያ ደቂ ኣንስትዮ ዘይተፈትሐ ጸገም ዝብሎ ዓብዪ ነገር ሕብረተሰብ ዘለዎ ኣረኣእያ'ዩ። ኩሉ ነገር ካብ ዘዕብየካ ገዛ ዝጅምር ኮይኑ፡ ወዲ ተባዕታይን ጓል ኣንስተይትን ኣብ ዘለውሉ ገዛ ቀዳምነት ነቲ ወዲ ተባዕታይ'ዩ ዝወሃቦ። ኣብ ከባቢና ዘሎ ሕብረተሰብ ንጓል ኣንስተይቲ ዘለዎ ኣጠማምታ ሓደ ዓይነት ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብቲ ሙስሊም ሕብረተሰብ ግን ቁሩብ ክብድ ይብል'ዩ። ዚያዳ፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ሓዳር ገይራ ናብራ ክትኣሊ እዩ ዝመርጽ። ብኣጋ ሓዳር ገይራ ናብርኣ እትኣሊ ጓል ኣንስተይቲ፡ እድብቲ'ያ ኢሉ እዩ ዝኣምን። ኣብ ርሕቕ ዝበለ ዩኒቨርሲቲ እንተተመዲባ፡ ከምዘይትኸይድ ኣቐዲማ እያ ትፈልጦ፤ በዚ ተስፋ ትቖርጽ። ናብ ሓዳር እንተኣቲኻ ድማ ምምሃር ከቢድ'ዩ። በዓል እንዳኻ ንትምህርቲ ዘለዎ ዝንባለ እወንታዊ እንተዘይኮይኑ፡ ሓላፍነት ክወስድ ስለ ዘይደሊ ከቢድ'ዩ። ግን ድማ ክትሰብሮ ዝከኣል ጸገም'ዩ ኢለ ይሓስብ። ኣብ ክሊ እቲ ሰብ ዝሓስቦ ከጋጥመካ ዝኽእል ቁጠባዊ ጸገማት'ውን ዓርሱ ዝኸኣለ ፈተና'ዩ። ኣነ ኣብ ልዕሊ እዚ ኩሉ ሓላፍነት ወሲደ ክመሃር ከለኹ፡ ሰብኣየይ ሓጋዚዬ እንተነበረ'ውን ቑጠባዊ ዓቕሚ ግን ይፍትነኒ ነይሩ። ክትመሃሪ እንተኾይንኪ እንተውሓደ ንጽህናኺ ንምሕላው ዘድልዩ ነገራት ክማልኡ ኣለዎም። ሓልሓሊፉ ደቂ ኣንስትዮ ፈቲና'ውን ኣይኮንናን ካብ ትምህርቲ ንቦክር፤ ከምዚኦም ዝበሉ ብድሆታት'ዮም ንድሕሪት ዘትርፉና። ግን፡ እዚ'ውን እንተተማሂርናን እንተሰሪሕና ኢና ክንሰብሮ እንኽእል። ጎና ጎኒ ድማ ከም መሐለዊ ንጽህና ዝበሉ ቐረባት ኣብ ኩሉ ክባጻሕ ኣለዎ። ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ብምኽንያት ወርሓዊ ጽግያት ስለ ዝስከፋ ትምህርቲ ከቛርጻ ይግደዳ'የን። ኣብ ትሕቲ ዕድመ መርዓን ምጥቃም መከላኸሊ ጥንስን ድማ ዝሓሸ ግንዛበ ክፍጠር ኣለዎ ኢለ ይኣምን። ኣነ፡ ምስ ብዙሓት ዘጓንፉኒ ዝነበሩ ጸቕጢታት እየ ተማሂረ። እታ ሳልሰይቲ ጓለይ ቅድሚ ምረቓ ኣብ ዘለዋ 22 መዓልታት'ያ ተወሊዳ። መኪና ተበላሽዩ ኣብ መገዲ ዝሓደርኩሉ፣ ውላደይ ሓሚሙ ሆስፒታል ዝኣተወሉ ከበድቲ መዓልታት የጋጥሙኒ ነይሮም። እንተኾነ፡ ስራሕን ካልእን ገዲፈ ዝጀመርኩዎ ስለ ዝነበረ ንጻት'ውን ከቋርጾ እየ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን። በዓል ቤተይ፡ መወዳእትኡ ምስ ርኣየ ብጣዕሚ ሕጉስ ነይሩ፤ ኣባይ ዘለዎ እምነት ልዕሊ እቲ ክገልጾ ዝኽእል ፍሉይ ሰብ'ዩ። \"ከም እተዐውትዮ ይፈልጥ'የ፤ ዓላማ እንተሒዝኪ ጠንካራ ምዃንኪ'ውን ይኣምን። ቐጻሊ ኩሉ ክተዕውቲ ኢኺ\" ኢሉኒ። ኣብ ቀጻሊ ብናይ ውሽጣዊ ሕማማት ስፔሻላይዝ ክገብር እየ። ብተመሓላለፍቲ ሕማማት'ውን ማስተርስ ወሲኸ ኣብ መጽናዕትን ምርምርን ክነጥፍ መደብ ኣለኒ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54059916"} {"headline":"ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ካብ ቀጽሪ ከይወጽኡ ምምርሒ ተዋሂብዎም","content":"ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ቀጽሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ንደገ ከይወጽኡ ምምርሒ ከም ዝተዋህቦም ተገሊጹ። እቲ መምርሒ ካብ ሚኒስትሪ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝመጽአ ኮይኑ፡ ኩለን ዩኒቨርስታት እታ ሃገር ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምግዕጋት ኣድላዩ ስጉምቲ ክወስዳ ኣተሓሳሲቡ። ዩኒቨርስታት መቐለን ኣኽሱምን ድማ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሮም፡ ተመሃሮ ከም ድላዮም ክኣትውን ክወጹን ከም ዘይኽእሉ ኣፍሊጠን። ዩኒቨርስቲ መቐለ ስሩዕ ትምህርቲ ዝከታተሉ ዘለዉ ተመሃሮ እቲ ዩኒቨርስቲ፡ ትምህርቶም ብ 'ኦንላይን' ከም ዝከታተሉ ገሊጹ። ካብ ቀጽሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ወጺኢ ዘለዉ ተመሃሮ ድማ፡ ካብ ጽባሕ ጀሚሮም ናብ ዩኒቨርስቲ ክኣትዉ ከም ዘይኽእሉ ተገንዚቦም፡ ኣብቲ ዘለውዎ ቦታ ክጸንሑ ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ኣተሓሳሲቡ። ተመሃሮ፡ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጥዕና፣ ሚኒስትሪ ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ዩኒቨርስቲታትን ክከታተሉ ከም ዝግባእ እተን ዩኒቨርስታት ኣፍሊጠን። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ቁጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ትሸዓተ ከም ዝበጽሐ ሚኒስትሪ ጥዕና ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ ነይሩ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ'ውን ናብ ልዕሊ 30 ሃገራት ዝገብሮም ዝነበረ በረራታት ከም ዝሰረዞ ኣፍሊጡ'ሎ። ካብ ዝኾነት ሃገር ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ገያሾ ን14 መዓልታት ክትውሽቦም ምዃና ኣፍሊጣ'እያ። ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ኣስታት ርብዒ ሚልዮን ለኺፉ ከም ዘሎን፡ ልዕሊ 10000 ሰባት ድማ በዚ ሕማም ሞይቶም ኣለው። ኮሮናቫይረስ ይህልወኩም'ዶ ይኸውን? ነዚ ምልክታት ርአዩ ሽሕ'ኳ ብዙሓት ሰባት ኣብ ገዝኦም ተዓጽዮም እንተለዉ፡ ኣቀዲሞም ወጺኦም ኣብ ዝነበሩሉ በዚ ቫይረስ ኣይተለኽፉን ማለት ኣይኮኑን። እቶም ክሳዕ ሕጂ ደገ ኣብ ምውጻእ ዝርከቡ ዘለዉ ከኣ ነቲ ሓደጋ መልከፍቲ እዚ ቫይረስ ኣዝዮም ዝተቃልዑ እዮም። ስለዚ እዚ ቫይረስ ከም ዘለኩም ብኸመይ ክትፈልጡ ትኽእሉ? ምልክታቱ'ኸ እንታይ እዮም? ኮቪድ-19 ካብቲ ካልእ ተራ ሰዓል ብምንታይ ይፍለ? እቲ ምልክታት ብረስኒ ጀሚሩ፡ ናይ ምስትንፋስ ጸገማት ዘኸትል ደረቅ ዝኾነ ሰዓል የስዕብ። ብገምጋም እዚ ምልክታት ክረአ ክሳብ ሓምሽተ መዓልታት ዝወስድ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ገሊኦም ግን ካብዚ ዝተባህለ መዓልትታት ድሒሩ ክረአ ይኽእል። ብመሰረት ሓበሬታ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ እቲ ምጭጫሕ ናይቲ ቫይረስ ክሳብ 14 መዓልታት ከም ዝወስድ ክንገር እንከሎ፡ ገለ ገለ ተመራመርቲ ግን ክሳብ 24 መዓልታት ክወስድ ከም ዝኽእል ይሕብሩ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51986460"} {"headline":"\"እንከይተወለድኩ'የ ተሓጽየ\" ዶ\/ር መስቀሉ ኪዱ","content":"ዶ\/ር መስቀሉ ኪዱ ገና ኣብ ማህጸን ኣዲኣ እንከላ ነይሩ ንሓደ ዘይትፈልጦ ሰብኣይ ትብጻሕኩም ተባሂላ ዝተመርዐወት። እንተኾነ ግና ብትምህርቲ እናደፍአት ምስመጽአት ነቲ ብዘይውሳንኣ ክትሕጽዮ ዝተፈረዳ ሰብኣይ ኣይምርዐውን ኢላ ሓንጊዳ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ሓኪም ውሽጣዊ ሕማማት ኮይና በዓልቲ ሓዳርን ነብሰ ጾርን እያ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51907693"} {"headline":"ወ\/ሮ መድህን ፈርዲናንድ፡ ካብ ቀዳሞት ኤርትራውያን መምህራን","content":"ወ\/ሮ መድህን ፈርዲናንድ ኣብ ኤርትራ ከተማ ከረን ተወሊዳ ዝዓበየት ኮይና፡ ካብተን ኣብ ኣብ መሰልጠኒ መማህራን ኣስመራ 'ቲቲኣይ' ሰልጢነን ኣብ ሕርጊጎን ባጽዕን ዝመሃራ ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ እያ። ሎሚ ኣብ ካናዳ ትቕመጥ ዘላ ወ\/ሮ መድህን ወለዲ፡ ደቆም ጌጋ ምስዝፍጽሙ ካብ ገዛ ምስጓግ መፍትሒ ከምዘይኮነ ትምዕድ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51703929"} {"headline":"\"ግዜ ቁልዕነት ጽሕፍቶ ደቂ ሰባት ዝውስን ኣገዳሲ ዕድመ እዩ\" ዶክተር ሜሮን","content":"ዶ\/ር ሜሮን ናይ ዶክትሬት ዲግሪ ትምህርታ ኣብ ሃገረ ጀርመን እያ ተኸታቲላ። ግዜ ቁልዕነት፡ ጽሕፍቶ ደቂ ሰባት ዝውሰነሉ ወርቃዊ ዕድመ ስለዝኾነ ንግዜ ቁልዕነታ ፍሉይ ቦታ ከምዘለዋ እያ እትገልጽ። እኽእል እየ ኢልካ ምእማን መሰረት ኩሉ ዓወት ከምዝኾነ እያ እትኣምን።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/51032365"} {"headline":"ኣብ ኬንያ ተምሃሮን መምህራንን ብምኽንያት ናይ ተግባር ፈተና ሓሚሞም","content":"ኣብ ኬንያ ኪሱሙ ኣብ ዝተበሃለ ዝርከብ ሓደ ቤት ትምህርቲ'ዩ እቲ ክስተት ተፈጢሩ። እቶም ተምሃሮን መምህራንን ዝሓመሙሉ ምኽንያት ከኣ ተምሃሮ ንተግባር ፈተና ኬሚካላት ኣብ ዘዋህዱሉ እዋን ብዝተፈጠረ ትነት ጋዝ'ዩ። ካብ ሞንጎ ዝሓመሙ መምህራን ሓንቲ ነብሰጹር ኣብ ጽንሳ ጸገም ከምዝተፈጠረ ተገሊጹ'ሎ። ተምሃሮ ንተግባር ፈተና 'ሳይክሎሄክሳን' ዝተበሃለ ባእታ ክጥቀሙ እናተገብኦም 'ዛይለን' ዝተበሃለ ክጥቀሙ ብምኽኣሎም'ዩ ተባሂሉ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ እቲ ዝድለ 'ሳይክሎሄክሳን' ዝተባሀለ ባእታ ኣብ ኬንያ ክርከብ ብዘይምኽኣሉ፡ ነቲ 'ዛይለን' ዝተበሃለ ክጥቀሙ ኤጀንሲ ሃገራዊ ፈተናታት ኬንያ መምርሒ ብምሃቡ እዩ። ትነት ዛይለን (ሃፋ) ብቑሩብ'ውን እንተስሒብካዮ ሕማም ርእሰን ካልኦት ስምዒታት ሕማምን ከስዕብ ይኽእል። ክሳብ ሞት'ውን ከምዘብጽሕ ይግለጽ። እቲ ቤት ትምህርቲ ነዚ ባእታ ክጥቀም መምርሒ ዝሃቡ ሓለፍቲ'ቲ ኤጀንሲ፡ 'ብዛዕብኡ ፍልጠት ነይርዎም'ዶ ኣይነበሮምን?' ገና ኣይተነጸረን። ናይቲ ቤት ትምህርቲ መምህራን ግን በቲ ዝተፈጠረ ሓደጋ ንኤጀንሲ ሃገራዊ ፈተናታት ኬንያ ተሓታቲ ይገብሩ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50385180"} {"headline":"ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ዝግድብ ግዝያዊ መምርሒ ኣውጺኡ","content":"ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ድሕሪ ሰዓት ኣርባዕተ ናይ ምሸት ካብ መደቀሲ ክፍሎም ወጻኢ ከይንቀሳቐሱ፡ ነዚ ንምትግባር ድማ ተቖጻጸርቲ ግቡእ ክትትል ክገብሩ ካብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ትእዛዝ ተዋሂቡ። ተምሃሮ ዩኒቨርስታት፡ ቅድሚ ወጋሕታ ሰዓት 12 ከምኡ ድማ ምሸት ድሕሪ ሰዓት ሓደ ካብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲኦም ወጻኢ ንኸይርከቡ ውሳነ ከምዘሕለፈ ዘፍለጠ እቲ ሚኒስትሪ፡ ኣባላት ጸጥታ ፈደራልን ክልልን ነቲ መምርሒ ከፍጽሙ ትእዛዝ ተዋሂብዎም እዩ። ኣብ ዩኒቨርስታት ዘጋጥም ዘሎ ዘይምርግጋእ ምስተቐረፈ ግን እቲ \"ግዝያዊ\" ዝተብሃለ መምርሒ ከምዝሰዓር ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ሚኒስትሪ ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ኣይተ ደቻሳ ጉርሙ ሓቢሩ። ኣብ ዩኒቨርስታት ደብረብርሃንን ወለጋን ኣብ ቀረባ እዋን ዝተቐትሉ ክልተ ተምሃሮ፡ ካብ ቀጽሪ ዩኒቨርስቲ ወጻኢ ከምዝኾነ ዘዘኻኸረ ኣይተ ደቻሳ ካብ ትምህርቶም ዝተሰጎጉ ተምሃሮ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ተምሃሮ ዝኾነ ኣማራጺ ተጠቒሞም ዕግርግርን ህውከትን ንኸይፈጥሩ ተባሂሉ እቲ ግዝያዊ መምርሒ ከምዝወጽአ ኣፍሊጡ። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት 2012 ኣብ ዩኒቨርስታት ብሰንኪ ዘጋጠሙ ጎንጽታት ዝሞቱ ተምሃሮ፡ መብዛሕቲኦም ኣብ መደቀሲ ክፍሎምን ቀጽሪ ውሽጥን ከምዝኾነ ዝተሓተተ ኣይተ ደቻሳ \"ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ዝለዓሉ ጎንጽታት ንምፍታሕ ጸጥታዊ ማሕዋራትና ኣሕይልና ኢና ብፍላይ ዩኒቨርስታት ብኣባላት ፌደራል ፖሊስ ክሕለዋ ካብ ዝጅምር ለውጢ ኣሎ እዩ\" ብምባል ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተላዕለ ሓድሽ ጎንጺ ከምዘየለ ድማ ከም መረዳእታ ኣቕሪቡ። ኣብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ናይ ዝተደኮና ዩኒቨርስታት ሰላም ንምውሓስ ብሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ኣማእኻልነት ዓበይቲ ዓድን ሰበ ስልጣናትን ዘለውዎ ኮሚቴ ተጣይሹ ኣብ ዩኒቨርስታት ዘላቒ ሰላም ንምውሓስ ይስራሕ ከምዘሎ እውን ኣይተ ደቻሳ ጠቒሱ። ኣብ ዩኒቨርስታት ድላዩ ሓላፍነት ይሃልዎ፡ ኣብ ህውከት ሰላም ዩኒቨርስታት ኢድ ዘለዎ ዝኾነ ይኹን ሰብ ተሓታቲ ንክኸውን ክስራሕ እዩ ዝበለ ኣይተ ደቻሳ፡ ብሰንኪ ጎንጺ ነናብ ዓዶም ዝኸዱ ተምሃሮ ኣብ ሓጺር እዋን ነናብ ዝተመደብሉ ዩኒቨርስቲ ተመሊሶም ስሩዕ ትምህርቶም ክከታተሉ ጸዊዑ። ሰላመን ዝተዘረገ 22 ዩኒቨርስታት ተፈልየን፤ ጠንቂ እቲ ጸገም ኣብ ልዕሊ ዝኾኑ ሰባት ስጉምቲ ይውሰድ ከምዘሎ ዝሓበረ ኣይተ ደቻሳ፡ ምሉእ ሓበሬታ ኣብ ኢዱ ምስኣተወ ዕላዊ ከምዝገብር ኣፍሊጡ። ብተዛማዲ፡ ትምህርቲ ተቛሪጹለን ዝነበራ ዩንቨርስትታት፡ ካብ ቀጻሊ ሰሙን ጀሚረን ምምሃር ከምዝጅምራ ተገሊጹ'ሎ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50923874"} {"headline":"መድህን ፈርዲናንዶ ድራር፡ \"ተመሊስካ እትረድኦ ገዲፍካዮ ኣይትእቶ እዩ\"","content":"ኣብ ፈለማ ስሳታት ሓያሎ ዕድል ዝረኸባ ኤርትራውያን ኣዴታት ተማሂረን ከም መማህራናን ኣለይቲ ሕሙማን ነርሳት ዝበጽሓ ኣለዋ። ኣብ ከተማ ኦታዋ ዝነብራ ወይዘሮ መድህን ሓንቲ ካብተን ብዙሓት እየን - ተመኩሮአን እነሆ። ትምህርተን ወትሩ ብብልጫ ዝዛዘማ ኣብ ከረን ተወሊደን ዝዓበያ ወይዘሮ መድህን፡ ካብ 1968 ክሳብ 1972 ኣብ ሕርጊጎ ቤት ትምህርቲ ኣዋልድ፡ እንግሊዝ፡ ቁጽሪ፡ ስነ-ፍልጠት፡ ጂኦግራፍን ኢደ ጥበብ ምሂረን። ኣብ 1972 ምስ በዓል ቤተን ኣቶ ተኽሉ ሃብቶም ተመርዕየን ሓዳር መስሪተን። እንተኾነ ናብራን ሓዳርን ከይዓገተን ኣብ 1974 ኣብ ማእከል መሰልጠኒ መማህራን ኣስመራ (TTI) ኣትየን። እንተኾነ ትምሀርተን ከይወደኣ ኣብቲ ስርዓት ደርግ ዝኣወጆ እድገት በህብረት ዝብል ወፍሪ (ዘመቻ) ተሳቲፈን ኣብ ባጽዕ ምሂረን። እቲ ግደታ ምስ ፈጸማ ከኣ ኣብ 1976 ናብ ማእከል መሰልጠኒ መማህራን ኣስመራ ተመሊሰን ትምህርተን ወዲአን፡ ዓቕመን ኣመሓይሸን፡ ኣብ ባጽዕ ቤት ትምህርቲ ቀዳማይ ደረጃ ኩትሚያ ተቖጺረ ሰሪሐን። ኣብ ሕርጊጎ ዝምህረአን ዝነበራ ደቀንስትዮ ብዙሓት እኳ እንተነበራ ምስ ምንዋሕ ግዜን ስደትን ግን መን ኣበይ ኣሉ ኣይዝክራን፤ ንኣምና ናይብ ግን ንፍዕቲ ብምንባራ ኣይረሰዓኣን። ካብቶም ምስ ግዜ ኣብ ፈቐድኡ ዝተበታተኑ ሓቢሮመን ዝምህሩ ዝነበሩ መሓሪ ዝተባህለ ኣብ 1975 ብስርዓት ደርግ ዝተቐትለ መምህር ይዝክራ። ሓያሎ ብህይወት ዘየለዋ መተዓብይተንን መማህርተንን ኣዴታት ምስዘከራ ንብዓት ስዒሩወን። \"እንድዒ ምስ ምንዋሕ ግዜ መን ኣበይ ኣሎ ተጣፊእና - ኩናትን ስደትን ከቢድ እዩ\" ክብላ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓለፎ ምረትን ዝሓልፎ ዘሎ ከቢድ ግዝን ከምዘተሓሳስበን ገሊጸን ናብ ዝኽረን ተመሊሰን። ኣብ ሰብዓታት፡ ብግፍዕታት ጸላኢ ዝሰንበረ ህዝቢ ሃገራዊ ወኑን መንፈሱን ተጓሃሂሩ ኣንጻር እቲ ብግፍዒ ህዝቢ ከንበርክኽ ዝጽዕር ዝነበረ ስርዓት ደርግ ግህዱን ስውርን ቃልሲ ዝበራተዓሉ እዋን እዩ ነይሩ። እቲ ግሁድ ቃልሲ፡ እቲ ኣብ 1961 ዝጀመረ ብረታዊ ቃልሲ ክኸውን እንከሎ፡ ነቲ ናይ ግዳም ቃልሲ ዘሐይልን ዝድግፍን ኣብ ከተማታት ብምስጢር ዝካየድ ንስርዓት ደርግ ዘሰንከለ ካልእ ህዝባዊ ቃልሲ ነይሩ። ወይዘሮ መብራትን በዓል ቤተንን ከኣ ኣብዚ ምስጢራዊ ስርርዕ ተወዲቦም ዓቕሞም ዘፍቅዶ ይሰርሑን ካብ በረኻ ብምስጢር ንዝኣተዉ ተጋደልቲ የዕቁቡን ይተሓጋገዙን ነይሮም። ኣብ 1977 ህዝባዊ ግንባር ንከተማ ባጽዕ መሰጥቀዓ ካብ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ቦታ ሃዲሞም ፈለማ ንደጎሊ፡ ካብኡ ድማ ንከረን ኣትዮም። ክሳብ እዋን ምዝላቕ ኣብ ከረን ጸኒሖም ምስቲ ውድብ ክደጋገፉ ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ ምዝላቕ ምስኮነ ኣብ ጥሪ 1979 ተሰዲዶም ናብ ሱዳን ኣትዮም። ሽዑ ክልተ ቆልዑ፡ ወድን ጓልን ነይሮመን። ኣብ ካርቱም ምስ ሓዳረን ንሽዱሽተ ዓመት ጸኒሐን ክልተ ክልተ ቜልዑ ወሲኸን ምስ ኣርባዕተ ደቀንን ንእሽቶ ሓወንን በዓል ቤተንን ኣብ 1984 ናብ ካናዳ ኣትየን። ህይወት ስደት ከቢድ እዩ። ዘይትፈልጦ ባህሪን ባህልን ክትለምድ፡ ንኪሊማን ኣነባብራን እቲ ህዝቢ ክትለምድ ይኸብድ እዩ። ግን ወይዘሮ መድህን ዝዓበያሉ ከተማ ከረን፡ ቋንቋታት ትግረን ትግርኛን፡ ቢለንን ዓረብን ዝዝረቦ ብምንባሩ፡ ወይዘሮ መድህን እውን ንኹሉ ቋንቋታት ይመልከኦ ስለዝነበራ ኣይጸገመንን። ሓዳር ዝመስረታሉን ንዓመታት ዝመሃራሉን ከተማ ባጽዕ ከኣ ቆላ ብምንባሩ ምስ ኪሊማ ሱዳን እውን ብዙሕ ኣይተጋየሻን። ኣይደንጎያን ባህሎምን ቋንቋኦምን ቀልጢፈን መሊኸነኦ። ንካናዳ ምስ ስድረአን ምስ ኣተዋ፡ እቲ ባህሊ ቀሊል እኳ እንተዘይነበረ፡ ኣቐዲሞም ተሰዲዶም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዓዲ ኣለማሚዶመን። መንግስቲ ካናዳ እውን ብጽቡቕ እዩ ተቐቢሉወን፤ ደቀን ትምህርቲ ጀሚሮም። በዓል ቤተን እውን ቀልጢፎም ስራሕ ጀሚሮም። ንሰን ከኣ ንዝነበረን ጽምኢ ፍልጠት ከርውያ፡ ኣብ ኮሌጅ ናይ ኤለክትሮኒክስ፡ ህጻናት ናይ ምእላይን፡ ናይ ክንክን ጥዕና ኮርሳትን ትምህርትን ወሲደን። ምስክር ወረቐት ዘለወን ብቕዕቲ መምህር ስለዝኾና ከኣ፡ ኣብ ከተማ ኦታዋ ንቖልዑ ናይ ትግርኛ ትምህርቲ ክምህራ ጀሚረን። እቶም ሽዑ ዝነበሩ ውሑዳት ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ደቅና ባህሎምን ቋንቅኦምን ከየጥፍኡ፡ ዘይንምህሮም ዝብል ሓሳብ የቕርቡ'ሞ፡ ቦርድ ትምህርቲ እታ ሃገር ምስ ተሓተተ፤ እቲ ዝምህር ናይ ምምህርና ምስክር ወረቐት ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ ስለ ዝበለ ወይዘሮ መድህን ፍቓደኛ ኮይነን ቖልዑት እቲ ኮሚዩኒቲ ብምምሃር ድርብ ኣበርክቶ ገይረን። እቶም ካብ ሱዳን ሒዘንኦም ዝኣተዋ ኣርባዕተ ደቀን ኩሎም በብዓቕሞም ተማሂሮም ገሊኦም ኣብ ሓዳርን ውላድን ስለ ዝበጽሑ እታ ስድራ ብሓጎስን ፍቕርን ትነብር ኣላ። \"ኣብ ስደት ቖልዓ ምዕባይ ቀሊል ኣይኮነን። ልዑል ደገፍ ናይ ወለድን ኮሚዩኒትን የድልዮም እዩ\" ዝብላ ወይዘሮ መድህን፡ \"ምስቲ ዝነበረኒ ትምህርትን ናይ ምምህርና ተመኩሮን ተማሂረ ፍልጠት ወሲኸ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክበጽሕ ድላይን ዓቕምን እኳ እንተነበረኒ፡ ድሌታተይ ምእንቲ ደቀይ ክብል እየ ቀቲለዮ\" ብማለት ንደቀንን ደቂ ደቀንን ትምህርቶም እናተኸታተላ ዝበዝሕ ግዜአን ምስኦም ከም ዘሕለፈኦ ይዛረባ። ህይወትን ናብራን ስደት ከቢድ ብምዃኑ እትረፍ ሓደ ኢድ፡ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ኣቦን ኣደን ወፊርካ እውን ቀሊል ዘይምዃኑ ዝገልጻ ወይዘሮ መድህን፡ \"ግን ንልዕሌኻ ከይረአኻ፡ ነቶም ብኽንደይ ጻዕሪ ወሊድና ዘዕበናዮም ደቅና ከይንኸስሮም፡ ሰብኣይን ሰበይትን፡ አሕዋትን ቤተሰብን እናተደጋገፍና፡ ብፍላይ ኣዴታት እኹል ግዜ እናሃብና ክንጓስዮም ኣገዳሲ እዩ\" ብምባል ተመኩሮአን የካፍላ። ወይዘሮ መድህን ንኤርትራውያን ኣዴታት ፍሉይ ዝበልኦ መልእኽቲ ኣለወን። \"ቜልዓ እንተስ ብመዘንኡ እንተስ ብኸባቢኡ ተጸልዩ ይጋገ እዩ። ደቅና ዝዓብዩሉ ዘለው ሕብረተሰብ ዝተፈላለየ ባህልን ልምድን ኣነባብራን ዝኽተል እዩ። ስለዚ ውላደይ ጌጋ ገይሩ፡ ጓለይ'ዶ ከምዚ ክትከውን እናበልና ደቅና ከነርሕቕ የብልናን። ተመሊስካ እትረድኦ ገዲፍካይ ኣይትእቶ! ከይኮነና፡ ኣንጸርጺርና እንሰጎም ደቅና ኣብ ዝዝገደደ ክፍኣት ከይወድቁ፡ ኩሉ ኪኢልና ሓደራ ደቅና ንሓብሕብ፡ ጌጋኦም ኣሪምና ፍቕሪ እንተሂብናዮም ናብ ንቡር ክምለሱ እዮም\" ብምባል፡ ንመተመኩሮአን ምርኩስ ገይረን መልእኽተን ኣመሓላሊፈን። እቲ ብዓመጽ ገዛእቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ መወዳእታ ሱሳታት ዝጀመረ ስደት ኤርትራውያን ሕጂ ናጽነት ምስተረኽበ እውን ይቕጽል ምህላዉ ብሓዘን ዝገልጻ ወይዘሮ መድህን ነቶም ሕጂ ዝመጽኡ ዘለው መንእሰያት \"ሓደራኹም ኣይትሕመቑ፡ ነቲ ኣብ ስደት እትረኽቡዎ ዕድል ተጠቐምሉ እናሰራሕኩም ተማሃሩ\" ክብላ ተላብየን። መገዲ የማን ዝሓዘ ወዲቑ ከም ዘይወድቕ ብምሕባር ከኣ፡ ነብሲ ወከፎም ካብ ዝኾነ ሕማቕ ጠባያትን ወልፍታትን ክርሕቑ መኺረን። ጸገምን ጭንቅን መኻይዲ ወዲ ሰብ ስለዝኾነ ከኣ ዝኾነ ጸገም ዘለዎ ሰብ ካብ ዝምልከቶም ትካላትን ሞያውያንን ሓገዝን ምኽርን ክረክብ ከምዝኽእል ኣዘኻኺረን። ወይዘሮ መድህን፡ ካብተን ነባራት ደቂ ኣንስትዮ ከተማ ኦታዋ ኮይነን፡ ኣብ ኩሉ ዋኒን እቲ ኮሚዩኒቲ፡ ኣብ ሓጎስን ሓዘንን ኣብ ሞትን መርዓን ተዓጢቐን ዝውዕላ ክብርቲ ኣደ ምዃነን ፈለጥተን ይምስክሩ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51703509"} {"headline":"ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወልዲያ ብዝተፈጠረ ጎንጺ ዝተጠርጠሩ ተምሃሮ ኣብ ቀይዲ ውዒሎም","content":"ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጸጥታን ሰላምን ዞባ ሰሜን ወሎ ኮሎኔል ሃይለማርያም ኣምባዬ፡ በቲ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ዝተፈጸመ ጥቕዓት ክልተ ተምሃሮ ከም ዝተቐተሉ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ። ምስዚ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ዝተጠርጠሩ 13 ተምሃሮ ኣብ ቀይዲ ከም ዝወዓሉ እቲ ሓላፊ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ካልኦት ኣብቲ ዝተፈጸመ ጥቕዓት ከምዝነበሩ ዝተጠርጠሩ ተምሃሮ ንምቕያድ ኣለሻ ይካየድ ምህላው'ውን ተዛሪቡ። ሎሚ መዓልቲ እቲ ዩኒቨርሲቲ \"ኣብ ዝተረጋግአ ኩነታት'ዩ ዘሎ\" ዝበለ ኮሎኔል ሃይለማርያም፡ ንድሕነቶም ዝሰግኡ ተምሃሮ ናብ ዘዝመጽኡሉ ከባቢ ንምምላስ ሓሲቦም ምንባሮም ገሊጹ። እንተኾነ፡ ምስ ዓበይቲ ዓዲ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ መሪሕነት ዞባን ነበርቲ'ቲ ኸባብን ብዝተገበረ ዘተ፡ ድሕነት ተሰሚዕዎም ትምህርቶም ክቕጽሉ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ'ሎ። ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓደ ካብ ክልል ኦሮሚያ ዝመጽአ ተምሃራይ ግን፡ \"ዓበይቲ ዓዲን ነበርትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ዘተ እንተተኻየደ'ኳ ነቲ ጥቕዓት ዝፈጸሙ ሰባት ክቃልዑ ኣይረኣናን\" ኢሉ። ሕዚ'ውን ኣብ ስግኣት ከምዝርከብ ዝገለጸ እቲ ተምሃራይ፡ ናብ ዝመጽኣሉ ከባብ ናይ ምምላስ ሓሳቡ ከምዘይቐየረ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ ምሸት ነቲ ተግባር ዝፈጸሙ ሰባት፡ በላሕቲ ነገራት ሒዞም ከም ዝነበሩ ገሊጹ። ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ፖሊስ ፌደራልን ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ከም ዝኣተዉን ምርግጋእ ከምዝተፈጠረን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጸጥታን ሰላምን ዞባ ሰሜን ወሎ ኮሎኔል ሃይለማርያም ኣምባዬ ሓቢሩና።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/50371523"} {"headline":"መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ነቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወልድያ ዝተፈጠረ ክስተት ኮኒኑ","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ዩኒቨርሰቲ ወልድያ ኣብ ሞንጎ ተመሃሮ ብዝተወልዐ ጎንጺ ዛጊት ክልተ ተምሃሮ ከምዝተቐተሉን፤ ዝቖሰሉ ድማ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወሰዱን ተሓቢሩ። ዘዘራረብናዮም ተመሃሮን መምህራንን'ቲ ዩኒቨርሲቲ፡ በቲ ናይ ብሄር ትሕዝቶ ዝነበሮ ጎንጺ፤ ክልተ ተምሃሮ ከም ዝተቐተሉን ብዙሓት ከም ዝቖሰሉን ገሊጾም። ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሓደ መምህር፡ በቲ ትማሊ ዝተፈጠረ ጎንጺ ክልተ ተምሃሮ ከም ዝሞቱ ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ደዊሉ ከረጋግጽ ከም ዝኸኣለ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ \"ዛጊት ዘለና መረዳእታ በቲ ዝተፈጸመ መውቃዕቲ ክልተ ተምሃሮ ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ'ሎ\" ኢሉ። ካልኦት ብዙሓት ተምሃሮ'ውን ጉድኣት ከም ዝበጽሖም ዝሓበረ ኣይተ ሽመልስ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲቲታት ዝርከቡ ተምሃሮ ተሰናቢዶም ኣለዉ ክብል ሓቢሩ። \"ገለ ሰልፍታት ፖለቲካ ስልጣን ንምሓዝን ሓሳባቶም ብሓይሊ ናብ ህዝቢ ንምስራጽን ጻዕሪ ይገብሩ ኣለዉ\" ክብል'ውን ገሊጹ። በቲ ትማሊ ምሸት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተሓተትቲ ዝኾኑ ኣካላት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ምስ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ይሰርሑ ምህላዎም እቲ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ካብ ሆስፒታል ዝረኸብናዮም ምንጪታት ድማ 14 ተመሃሮ ቆሲሎም ናብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ወልዲያ ከም ዝመጽኡ ኣረጋጊጾም። ሓደ ሰራሕተኛ'ቲ ሆስፒታል \"ሎሚ [ሰንበት] ንጉሆ ሰዓት 2፡30 [ኣ.ኢ] ናብ ስራሕ ኣትየ። ካብ 14 ክሳብ 15 ዝኾኑ ጉድኣት ዘጋጠሞም ተምሃሮ ኣብዚ ሆስፒታል ሓገዝ ሕክምና ይረኽቡ ኣለዉ\" ኢሉ። ኣብ ልዕሊ እቶም ተምሃሮ ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት ከም ዘጋጠመ ዝሓበረ እቲ ስሙ ክግለጽ ዘይደለ ሰራሕተኛ ሆስፒታል ወልዲያ፡ እቲ ጉድኣት ብመውቃዕቲ ዘጋጠመ ከም ዝኾነ ኣረዲኡ። ኣብቲ ጉዳይ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ምምሕዳር ዩኒቨርሲቲ ወልዲያ ተወሳኺ መረዳእታ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ክሰምረልና ኣይከኣለን። ሓላፊ ሓለዋን ድሕነትን እቲ ዩኒቨርሲቲ ሻምበል መንግስቱ፡ ብዛዕባ'ቲ ዝተፈጠረ ጎንጺ ሓቲትናዮም \"መረዳእታ የብለይን\" ዝብል መልሲ ሂቦምና። መራኸቢ ሓፋሽ ክልል ኣምሓራ፡ ንዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜን ወሎ ኣይተ ወልደትንሳኤ መኮነን ጠቒሱ ኣብ ዘቃልሖ ዜና፡ ተመሃሮ ጸዋታ ኩዕሶ እግሪ [ብቴሌቪዥን] ክርእዩ ኣምሲዮም ክምለሱ ከለዉ ብዝተፈጠረ ጎንጺ፡ ክልተ ተምሃሮ ከምዝተቐተሉን ኣብ ልዕሊ ሸሞንተ መጉዳእቲ ከምዘጋጠመን ገሊጹ።","category":"CATEGORY_THREE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50364808"} {"headline":"ሓስያ 'ተጨውየ' ዝበለት ኣሜሪካዊት 18 ኣዋርሕ ክትእሰር ተፈሪዳ","content":"ኣብ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎርንያ፡ ተጨውየ ብምባል ብሓሶት ናብ ኤፍቢኣይ ዝመልከተት ውልቀ ሰብ ን18 ኣዋርሕ ክትእሰር ቤት ፍርዲ ወሲኑ። እታ ሸሪ ፓፒኒ ዝተበሃለት ጓል 39 ዓመት ኣብ ሕዳር 2016 ክትጐዪ ኢላ ምስ ወጽአት’ያ ሃለዋት ኣጥፊኣ። ድሕሪ ሰለስተ ሳምንታት ዳግማይ ብምምጻእ፡ ቋንቋ ስጳኛ ትዛረብ ሰበይቲ ከምዝጨወየታ ስለዝሓበረት፡ ነታ ጨውያ ዝተበሃለት ሰብ ንምርካብ፡ ኤፍቢኣይ ሰፊሕ ቦታ ኣብ ዝሸፈነ ድልያ ጀሚሩ። ኤፍቢኣይ፡ ድሕሪ ዝገበሮ ምጽራይ ሸሪ ፓፒኒ፡ እቲ ሰለስተ ሰሙን ተጨውየ ኢላ ዝጠፍኣቶ እዋን፡ ምስ ዓርካ ዝነበረ ሰብ ከምዘሕለፈቶን፡ ነቲ ተጨውየ ዝብል ክሲ ንኸተእምን፡ ኢዳ ባዕላ ከምዝሓርሐረቶን ክፈልጥ ክኣለ። ሸሪ ፓፒኒ ትማሊ ናብ ቤት ፍርዲ ምስ ቀረበት ከኣ፡ ከምዝሓሰወት ብምእማን ንቤት ፍርዲ ይቕሬታ’ኳ እንተሓተተት፡ ሓሶታ ዘስዓቦ መዘዝ ግን ካብ ማእሰርቲ ከናግፋ ኣይከኣለን። ሸሪ፡ “ነቶም ጠፊኣ ኢሎም ዝተሻቐሉለይ ሰብን ነቶም ኣብ ምድላየይ ዝተዋፈሩን ይቕሬታ ክብሎም እፈቱ” ኢላ። እቲ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ክካየድ ዝጸንሐ መስርሕ ቤት ፍርዲ፡ ሸሪ ፓፒኒ፡ ኣብ ልዕሊ ፌዴራል ፖሊስ ሓስያን ኣታሊላን ኣብ ዝበል መደምደምታ’ዩ በጺሑ። ጠበቓ ሸሪ ፓፒኒ፡ ዊልያም ፖርቶኖቫ ንላግጺ ኢላ ዝጀመረቶ ናብ ከምዚ ከምዝዓበየ ብምግላጽ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝህቦ ውሳነ ኣሸላሻል ክገብረላ፡ መቃለሊ ፍርዲ ዝኸውን ሓሳብ ሂቡ። እቲ ጠበቃ ብተወሳኺ፡ ምሕሳዋ፡ ብዙሕ ሰብ ስለዝፈለጠ ንሱ ንባዕሉ ናይ መዋእል መቕጻዕቲ ሕልና ስለዝዀነ ኣብ እዋን ፍርዲ ኣብ ግምት ክኣቱ ተላብዩ። ኣኽበርቲ ሕጊ፡ እቲ ዝፈጸመቶ ተግባር ክሳብ 25 ዓመታት ከእስር ከምዝኽእል ብምግላጽ፡ ነቲ ዝተወሃበ መፋኾሲ ሓሳባት ኣብ ግምት ብምእታው ካብ 8 ክሳብ 14 ኣዋርሕ ክትእሰር ሓሳብ ኣቕሪቦም። ሸሪ ኣብ ልዕሊ ዝተወሃባ ፍርዲ፡ ፖሊስ ነታ ጨውያትኒ ዝበለታ ሰብ ንምድላይ ዘውጽእዎ ወጻኢታት መከሓሓሲ ዝኸውን 300 ሽሕ ዶላር፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጽአት ክትከፍል’ውን ተሰማሚዓ’ያ። ሸሪ ክትጐዪ ኢላ ምስ ወጽእት [ሕዳር 2016]፤ በዓል ቤታ፡ ደቁ ካብ መውዓሊ ህጻናት ከምዘይመጽኡ ምስ ፈለጠ’ዩ ከምዝጠፈአት ናብ ፖሊስ ሓቢሩ። ድሕሪ ሰለስተ ሳምንታት፡ ሓንቲ ቋንቋ ስጳኛ ትዛረብ ሰበይቲ ብብረት ኣፈራሪሓ ጨውያታ ከምዝቐነየት ዝገልጽ ሓበሬታ ናብ ፖሊስ ቃል ሂባ። ኤፍቢኣይ ጽጹይ መርመራ ድሕሪ ምግባር፡ ሸሪ ፓፒኒ ኵሉ ዝበለቶ ሓሶት ምንባሩ ከቃልዕ ክኢሉ። ኤፍቢኣይ ኣብ ዝገበሮ መርመራ፡ ሸሪ ምስቲ ካብ ታሕሳስ 2015 ጀሚራ ብተሌፎን ብቐጻሊ ትረኽቦ ዝነበረት ናይ ቀደም ዓርካ ብገዛእ ፍቓዳ ከምዝቐነየት ከረጋግጽ ክኢሉ።","category":"CATEGORY_FOUR","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cglm2x5rn34o"} {"headline":"ሓረስተይቲ ንምዃን ካብ ኣየርላንድ ናብ ኢትዮጵያ ዝተመለሰት በረከት ወርቁ","content":"በረከት ወርቁ ኣብ ወላይታ ኣስታት 600 ሄክታር ብምልማዕ ኣሕምልትን ዝተፈላለዩ ፍሩታን ተፍሪ። ንገዛእ ርእሳ ‘ጻዕራም ሓረስታይ’ ‘ሓረስታይ በረከት’ እናበለት ብምጽዋዕ ትፍለጥ። ማሕረስ ኣዝዩ ዝተኸበረ ሞያ ከምዝኾነ እትገልጸሉ መገዲ እዩ። ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሳ ነቲ ስራሕ ቅድሚ ምጅማራ ኣብ ኣየርላንድ፡ ደብሊን እያ እትነብር ኔራ። ኣደ ሰለስተ ቆልዑ ዝኾነት በረከት፡ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ካብ ዝኾኑ ወለዲ ኣብ ሃዋሳ እያ ተወሊዳ ዓብያ። ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ትምህርታ’ውን ኣብኡ ድሕሪ ምዝዛም ንስራሕ ናብ ደቡብ ሱዳን ኣቕኒዓ። ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ሰራዊት ምክልኻልን ኣብ ቤት መዝገብ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር’ውን ኣገልጊላ እያ። ብድሕሪኡ ናብ ዩጋንዳ ብምኻድ ኣብ ዩኒቨርስቲ ካቨንዲሽ ሕጊ እናተማሃረት ኣብ ደቡብ ሱዳንን ዩጋንዳን እናተመላለሰት ንሸውዓተ ዓመታት ሰሪሓ። ምስ ኣየርላንዳዊ በዓልቤታ’ውን ኣብኡ እያ ተላልያ። ብድሕሪኡ ናብ ኣየርላንድ ተጓዒዛ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ደብሊን ክትነብር ጀሚራ። በረከት ናብ ማሕረስ ብሰንኪ ኣቦኣ ከምዝኣተወት እያ ትዛረብ። “. . . ኣቦይ ኣብ ታቦር ቀዳማይ ደረጃ መምሀር እዩ ኔሩ። ኣብ ኮሌጅን መምህራን ማንዴላ ናይ ርሕቀት ትምህርትን’ውን ይምህር ኔሩ። ኣብ ናይ ዕረፍቲ ግዚኡ ስራሓት ሕርሻ የርእየና ኔሩ። ሰፊሕ ሕርሻ ዘይኮነ 2 ሄክታር፣ 3 ሄክታር ኣብ ናይ ስድራ መሬት እዩ ዘርእየና . . .” ኣቦኣ ኣብ እዋን ክረምቲ ካብ ስራሕ ዕረፍቲ ኣብ ዝረኸበሉ ናብ ሱሉልታ ሒዝዎም ይኸይድ ምንባሩ ትዝክር። ክረምቲ ምስ ኣቦኣ ብምዃን ኣብ ሕርሻ ብምውፋር እያ ተሕልፎ ኔራ። ኣብ እዋን ሓጋይ ከኣ ኣብ ገዛ ዝተፈላለዩ ኣትኽልቲ ተፍልስ ኔራ። “. . . ምሩቅ ቤት ትምህርቲ ስነጥበብ ዝኾነ ኣቦና መሃያኡ ንኣና ንምዕባይ እኹል ኣይነበረን። ስለዚ ኣብ ገዛና ፈልሲታት ምድላው፡ ቅርጻ ቅርጺ ምስራሕን ካልእ ዝተፈላለየ ስራሓት ንሰርሕ ኔርና።” ነፍሲ ወከፍ ኣብል ስድራ ኣብዞም ንጥፈታት ይዋፈር ኔሩ። ደሓር፡ ካብቶም ሽዱሽተ ኣሕዋት፡ እታ ንእሽቶ ናብ ስነጥበብ ክተብል እንከላ ምዕባያ ከኣ ናብ ሕርሻ እዩ ኣትዩ። ንሳ’ውን ፍቕሪ ሕርሻ ካብ ሽዑ ከምዝሓደራ ትዛረብ። ወላ ኣብ ካልእ ስራሕ እንተተዋፈረት’ውን ፈልሲ ትተክል ኔራ። ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ምክልኻልን ኣብ ቤትምኽርን ዝሰርሐትሉ እዋን ነቲ ቀጽሪ ተወቅቦ ምንባራ ትዛረብ። ኣብ መወዳእታ ጠቕሊላ ናብ ሕርሻ ኣትያ። በረከት ናብቲ እትፈትዎ ሞያ ቅድሚ ምእታዋ ካብ ዓዲ ዝወጸት፡ ስድርኣ ኣብ ጸገም ብምንባሮም እዩ። ነቲ እዋን ብኸምዚ ትዝክሮ። “ህየወት ከቢድ እዩ ኔሩ። ኣቦና ናይ ከስዐ ካንሰር ሓሚሙ። ካንሰር እንታይ ምዃኑ’ውን ንፈልጥ ኣይነበርናን። ኣብቲ እዋን ዝነበረና ንብረት ኩሉ ሼጥና ኔርና። ኣነ ናይ ካልኣይ ደረጃ ተማሃሪት እንከለኹ ቆልዓ ኔሩኒ። ብዘይ ዝኾነ ሓገዝ ቆልዓ እናዕበዩ፡ ናብራ ቀሊል ኣይነበረን። ናብ ደቡብ ሱዳን ናይ ምኻድ ዕድል ምስ ረኸብኩ፡ ምውጻእ መሪጸ። ስራሕ ተወዳዲረ ምስ ረኸብኩ ናብ ደቡብ ሱዳን ከይደ።” ኣብ ደቡብ ሱዳን ንሓደ ዓመት ድሕሪ ምስራሕ ናይ ወተሃደራት ዕጥቂ ንምግዛእ ናብ ዩጋንዳ ትመላለስ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ምስ ናይ ሎሚ በዓልቤታ ተላልያ። ካፒቴን ፍሉይ ሓይሊ ኣየርላንድ ዝኾነ በዓልቤታ ሽዑ ኣሰልጣኒ ሓለውቲ ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዩወሪ ሙሰቬኒ እዩ ኔሩ። ሕርሻ ኣብ ዩጋንዳ ናይ ምጅማር ዕድል ዝረኸበት’ውን ሽዑ ምዃኑ በረከት ትገልጽ። “ቅድሚ ኢትዮጵያ ኣብ ዩጋንዳ እየ ሕርሻ ጀሚረ። ምስ ንእሽቶ ሓው ሙሰቬኒ ዝኾነ ጀነራል ሳሌሕ ሕርሻ እሰርሕ ኔረ። ንሱ ሰፊሕ መሬት ስለዝነበሮ፡ ኣብ ናቱ መሬት እየ ዝሰርሕ ኔረ። በረከት ኣብ ቻይና፣ ሞዛምቢክ፣ ዓዲ ጣልያን፣ ታንዛንያ ድሕሪ ምጽናሕ እያ ናብራኣ ኣብ ኣየርላንድ ዝገበረት። በረከት ናብ ኢትዮጵያ ዝተመለሰት ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት እዩ። ሽዑ ናይ ባዕላ መሬት ስለዘይነበራ ኣብ መቂ መሬት ተኻርያ እያ ማሕረስ ጀሚራ። ካብ’ቲ እዋን ጀሚራ ናብ ኢትዮጵያ ትመላለስ ኔራ። ኣብ 2008 (ኣ.ግ) ናይ ገዛእ ርእሳ 40 ሄክታር መሬት ረኺባ። “. . .ኣብ ኣየርላንድ እንከለኹ እዩ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ምሕሳብ ጀሚረ። ኣብ ዓድና ጽቡቕ ሓመድ ኣለና፤ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ፈለግ [ድሕሪ ኣማዞን] ናትና እዩ፤ ኩነታት ኣየርና ጽቡቕ እዩ፤ ከምድላይና ተንቀሳቒስና ክንሰርሕ’ውን ንኽእል ኢና። እሞ ንምንታይ ደኣ ብግቡእ ዘይተጠቀምናሉ? ኢለ ሓሲበ።” ኣብ ኣየርላንድ፡ እሞ ከማን ኣብ ዓመት፡ እቲ ሸሞንተ ኣዋርሕ ዝሑል ኣብ ዝኾኑላ ሃገር፡ ካብ ንእሽቶ ግራት ዓቢይ ምሕርቲ ክሕፈስ ሪኣ እያ። በረከት ዝገርማ ዝነበረ፡ ኣየርላንዳውያን ኣብቲ ኩነታት ኣየር ኣፍርዮም ካብ ገዛእ ርእሶም ሓሊፎም ፍርያቶም ናብ ካልኦት ሃገራት ምልኣኾም እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ብዘሎ ዓቕሚ ካብዚ ዝዓቢ ስራሕ ምስራሕን ፍልልይ ምምጻእን ከምዝከኣል ኣሚና ናብ ሃገራ ተመሊሳ። ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምምላሳ ፈለማ ኣብ ኣርሲ መሬት ረኺባ ኣሕምልትን ፍረታትን ምፍራይ ጀሚራ። እንተኾነ ግና ኣብ 2009 (ኣ.ግ) ኣብ ክልል ኦሮምያ ተኸሲቱ ምስ ዝነበረ ህዝባዊ ተቓውሞ ምስ ዝተሓሓዝ ሕርሻኣ ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓነወ ትዛረብ። ኮሚደረ፣ ሽጉርቲ፣ ጉዕ፣ ብርጭቕ፣ ዙኪኒ . . . ቀዳማይ ዙር ድሕሪ ምፍራያ ኣብ ካልኣይ ዙር ኮሚደረን ጉዕን ተኺላ ናብ ብሪጣንያ ንምልኣኽ እናተዳለወት እንከላ እዩ እቲ ዕንወት ተፈጺሙ። “ኣብቲ ናብ ወጻኢ ዝለኣኽ ምህርቲ ዝኾነ ዓይነት ድኹዕን መድሃኒትን ኣይጥቀምን እየ። ኣብቲ እዋን ኮሮላ ዝበሃል ናይ ህንዲ ዘርኢ ኔሩ። ካብ ህንዲ መጺኡ ድሕሪ ምትካሉ ነቲ ምሕርቲ ዝቕበልዎ’ውን ህንዳውያን እዮም ኔሮም። ሓንቲ ፍረ ከየልዓልኩሉ እዩ እቲ ሕርሻ ዓንዩ” ክትብል ትዝክር። ኣብቲ እዋን መኽዘና ዓንዩ፡ ድኹዒ ተዘሚቱ፡ ምህርቲ’ውን ከምዝተሰረቓ ትገልጽ። “ኣዝዩ ዘሰንብድ እዩ ኔሩ። ወላ’ኳ ጉድኣት እንተበጽሓኒ ኣብ ሃገርካ ተስፋ ምቑራጽ ቀሊል ኣይኮነን። ኣብ ኣርሲ ንዘሎ መሬት ከምቲ ዝነበሮ ሓዲገ ናብ ክልል ደቡብ ቀዪረ ምስራሕ ጀሚረ” ትብል በረከት። ናብ ኢትዮጵያ ክትመጽእ ከላ ንኢንቨስትመነትእ ሓደ ሚልዮን ዩሮ ሒዛ ኔራ። እቲ ዘልማዓቶ ሕርሻ ምስ ዓነወ ምሉእ ክስራን እዩ ኣጋጢምዋ። ናብ ኣየርላንድ ተመሊሳ ዳግማይ ገንዘብ ንምርካብ ኣብ ዝፈተነትሉ ነዊሕ ግዜ ወሲዱላ እዩ። ብድሕሪ’ዚ ሰለስተ ሚልዮን ዩሮ ሒዛ ናብ ኢትዮጵያ ኣትያ። ቅድሚ ሓደ ዓመት መሬት ንምዕዳግ ናብ ወላይታ ከይዳ ኣብ ዝነበረትሉ፡ ቢሮ ኢንቨስትመንት መሬት ካብ ትዕድጊ 600 ሄክታር ክንህበኪ ኢና ከምዝበልዋ ትዛረብ። ነቲ መሬት ተረኪባ ዳግማይ ናብ ማሕረስ ኣትያ። ፍረታትን ኣሕምልትን ካብ ምፍራይ ብተወሳኺ እንስሳታት እውን ተርብሕ። እቲ ናይ ሕርሻ ስርሓ ‘በረከት ወርቁ ኢንተግሬትድ ኣግሮ ኢንዱስትሪ’ ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ። ኣብ ሕርሻኣ ባናና፣ ኮሚደረ፣ ሓብሓብ፣ ዝኩኒን ካልእ ፍርያትን ኣለዋ። ብተወሳኺ ድማ ናይ ቡን መወሃሃዲን ናይ ዑደት ትካልን ከፊታላ። በዓል ሓሙሽተ ኮኾብ ሆቴላ እውን ኣብ ህንፀት ይርከብ። ክሳብ ሕጂ ብዝረኸበቶ \"ከሲበ ኣለኹ\" እትብል በረኸት፡ ኣብ ሕርሻኣ ንዝርከቡ 130 ቀወምቲ ሰራሕተኛታት ዕድል ስራሕ ፈጢራ ኣላ። ብሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ፅቡቕ ኣቀባብላ እኳ እንተኾነ ሰበስልጣን መንግስቲ ግቡእ ደገፍ ከምዘይገበሩላ ትገልፅ። “ኣቀባብላ እቲ ሕብረተሰብ ጽቡቕ እዩ። ብወገን ሰበስልጣን መንግስቲ ግን ዘይርድኡኒ ነገራት ኣለዉ። ንኣብነት ሓደ በዓል ሃብቲ \"[ንሕርሽኡ] ማይ ከስትይ ስለ ዝኾንኩ ማይኪ ዕፀውያ\" እብሃል። ሕጽረት ማይ ኣሎ። ነገራት ባዕለይ ከዐርዮም እፅዕር እምበር፡ ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ መንግስታዊ ኣካላት ብዙሕ ደገፍ ዝህቡ ኣይኮኑን\" ክትብል ተረድእ። ኣብ ደቡብ ሱዳን ካብ ዝነበረትሉ እዋን ኣትሒዛ፡ ናውቲ ስፖርት ብምሻጥ፣ ብሕርሻን ካልኦት ንጥፈታትን ጽቡቕ ኣታዊ ትረክብ ነይራ። በዓል ቤታ ጆናታን ፒን፡ ‘ግሌነቨን’ ዝበሃል ትካል ዝውንን ኮይኑ፡ በረከት ኣብዚ ትካል እውን ብፅሒት ኣለዋ። ካብዞም ስራሕቲ ዝረኸበቶ እቶት ሒዛ እያ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ኢትዮጵያ ክትዋፈር ኪኢላ። \"ሓረስተይቲ በረከት\" ሕርሻ ኣብ ቁጠባን ማሕበራዊ ኣወዳድባን ኢትዮጵያ ዓብዪ ግደ እኳ እንተሃለዎ ክሳብ ሎሚ ግን ዘመናዊ ክኸውን ኣይከኣለን። ሓረስቶት ኣሽንኳይዶ ዘፍረይዎ ሸይጦም ስድራቤቶም ክድግፉ፡ ንነብሶም ክኽእሉ’ውን ክፅገሙ እዮም ዝረኣዩ። ብኻልእ ወገን ድማ ሕርሻ ከም 'ዘሕፍር' እዩ ዝቑጸር። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ጥቓ ሩባ እናነበሩ ግን ድማ ብሰንኪ ስእነት ፓምፕ ማይ [ማይ እትስሕብ ቴክኖሎጂ] ዝራእቶም ዝስእኑ ሓረስቶት ከምዘለዉ በረከት ብኣብነት ትጠቅስ። ብሰንኪ ሕፅረት ድኹዒ ከፍርዩ ዘይክእሉ ሓረስቶት እውን ውሑዳት ኣይኮኑን። በረከት ካብ መንግስቲ ብተወሳኺ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን እውን ንሓረስቶት ክድግፉ ትምዕድ። \". . . ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ኡጋንዳ፣ ኢጣልያ ወይ ኣየርላንድ ምስ ኢትዮጵያ ክመዓራረ ዝኽእል ምችው ክሊማ ይኹን ሓመድ ኣይረኣኹን። ማይና፣ ኣየርና፣ ሓመድና ኣይተጠቐምናሉን። ሓረስታይ ክብሃላ ከሎ ንርእሱ ከም ዘሕፍርን ጸርፍን እዩ ዝቑፀር። ኣነ ሓረስታይ እየ ብዝብል’የ ነዚ ኣተሓሳስባ ክሰብር ናብ ሕርሻ ኣትየ\" ትብል። ነቲ ብዛዕባ ሕርሻ ዘሎ ግጉይ ኣተሓሳስባታት ክትቅይር ስለ ዝደለየት ድማ ንነብሳ 'ሓረስተይቲ በረኸት' ወይ 'ጻዕራም ሓረስተይቲ' እናበለት ትውድስ። ሓረስታይ ክኽበር እያ ትደሊ። ኣብ ቀፃሊ እዋን ኣብ ፍርያት ሕርሻኣ ክብሪ ብምውሳኽ ናብ ወፃኢ ሃገራት ንምልኣኽ ትልሚ ኣለዋ። ብዘይካኣ ካልኦት ሓረስቶት እውን \"ካብ ድኽነት ክንወጽእ ምእንቲ መሬቶም፣ ማይኦምን ሓመድኦምን ብግቡእ ክንጥቀመሉ እደሊ\" ክትብል ትምዕድ። ኣውፈርቲ ናብ ኢትዮጵያ ክመፁ ካብ ምዕዳም ሓሊፋ ነቶም ዘለዉ መስርሓት ብምምችቻው እውን ኣብ ምሕጋዝ ትርከብ። በዚ ድማ ለውጢ ክተምፅእ ከም እትኽእል ተስፋ ትገብር።","category":"CATEGORY_FOUR","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c984pgj3r28o"} {"headline":"ክልተ ህጻናት ቀቲላ ኣብ ባልጃ ከም ዝሓብአት ዝተጠርጠረት ሰበይቲ ኣብ ቀይዲ ኣትያ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ክልተ ህጻናት ብምቕታል ዝተጠርጠረት ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወት ፖሊስ ኒውዚላንድ ኣፍሊጡ። እታ ውልቀሰብ፡ ነቶም ቈልዑ ቀቲላ ኣስከሬኖም ኣብ ባልጃ ከም ዘእተወቶ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ይንገር ነይሩ። እቲ ኣስከሬናት፡ ኣብ ዓባይ ከተማ ኡክላንድ - ኒውዚላንድ ኣብ ዝርከብ ሓደ ድኳን ነቲ ባልጃ ዝዓደጉ ሰባት’ዮም ረኺቦምዎ። እቶም ህጻናት ዕድመኦም ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ዓሰርተ ዓመት ዝግመት ኰይኑ፡ እቲ ኣስከሬን ንዓመታት ኣብቲ ባልጃ ከም ዝጸንሐ ተገሊጹ። ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት፡ እታ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ንምውዓል ፖሊስ ኒውዚላንድ ምስ ፖሊስ ደቡብ ኮርያ ብሓባር ክሰርሕ ጸኒሑ። ሕጂ ግን እታ ውልቀሰብ ምስተታሕዘት፡ ኒውዚላንድ ተመሓላሊፋ ክትወሃባ ሓቲታ ኣላ። እታ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወት፡ መንነት እቶም ህጻናት ምስ ተፈልጠ እያ። መርማሪ ፖሊስ ኒውዚላንድ ቶፊሉ ፋማኑያ ቫሉአ፡ “ፖሊስ ደቡብ ኮርያ ምስ ሰራሕተኛታት ኢንተርፖል ኒውዚላንድ ብምትሕብባር ኣብ ቀይዲ ክትውዕል ክኢላ” ኢሉ። እታ ውልቀሰብ ምስቶም ቈልዑ ዝምድና ክህልዋ ከም ዝኽእል ይግመት። ስድራ እዞም ቈልዑ ንዝተወሰኑ ዓመታት ኣብ ኦክላንድ ዝነበሩ ኰይኖም፡ ኣቦኦም፡ እቶም ህጻናት ቅድሚ ምማቶም ከም ዝዓረፈ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፡ ሓደ ቤተሰብ ኣብ ኦክላንድ ኣብ ዝርከብ ድኳን ባልጃ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣቑሑ ምስ ገዝአ’ዩ፡ እቶም ህጻናት ኣብቲ ባልጃ ተረኺቦም።","category":"CATEGORY_FOUR","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw8enel93n9o"} {"headline":"ጋዜጠኛ ናይ ምዃን ድልየት ዝነበራ ሻምፒዮን ኣትሌት ጎይተቶም","content":"ምስ ኵሉ ሕውስትን ተጻዋቲትን ስለ ዝዀነት፡ ሰሓቕ ኣይፍለያን። ሓሪቓ እንከላ’ውን እያ ትስሕቕ። ውሽጣ ሕቑንቑን እናበላ እንከሎ’ውን፡ ኣብ ውሽጢ ክምስታኣ ህድኣታ ተጕልሕ። ነዚ፡ ጽቡቕ ሙዚቃን ተልሂትን ትውስኸሉ እሞ፡ ኵሎም ጸላኤ ሰናይ ዝዀኑ ስምዒታት ሕርቃን ነጀው ተልግሶም፤ ትርስዖም። ኵሉ ነገር ጠንኪርካ ብምስራሕ፣ ኣብ ስራሕኻን ህይወትካን ድማ ዕውት ብምዃን ይብዳህ’ዩ ዝብል እምነት ስለ ዘለዋ፡ ሓርጐጽጐጽ ንዝብሉ ስምዒታት ኢዳ ኣይትህብን። ሓደ ነገር ጥራይ ግን የሰንፋ፤ ፋቕዕ ወይ ናፍቘት ፈጺማ ክትጻወር ኣይትኽእልን። ስለ ዝዀነ ድማ፡ እንተተኪዛ ወይ እንተነቢዓ ንስድራኣ ናፊቓ ኣላ ማለት’ዩ፤ ብፍላይ ንወላዲታ ኣደይ ብርሂት ካሱ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕላላ ኣልዒላ ዘይትጸግበን ኣደይ ብርሂት፡ ካብ ምድረ ገጽ ክጠፍኣለን ዝደልየኦ ሓደ ነገር ኣሎ’ዩ፤ ብኡኡ ኣብሊጻ ትፈትወን። ኣብ ሞንጐ ኣደን ጓል ዘሎ ፍሉይ ዝምድና ጸኒሕና ክንምለሶ ኢና። ከም ሰብ፡ ኣብ ዝዀነ እዋን ካብ ስድራቤታ ክትፍለ ኣይትደልን፤ ፈታዊት ሰብ ስለ ዝዀነት ድማ ንዕርክነት ወይ ምሕዝነት እትህቦ ሚዛን ኣዝዩ ልዑል ብምዃኑ፡ ምስ መሓዙታ ጽቡቕ ህይወት ኣለዋ። ንሳ፡ “መሓዛ፡ ካልኣይ ኣነ ከምዝዀነ እየ ዝሓስብ” ብምባል ትገልጾ። ጓል 27 ዓመት ኣትሌት ጎይተቶም ገብረስላሴ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣትሌቲክስ ዓለም ጽልዋ ካብ ዝፈጥራ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ሓንቲ እያ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ [2022] ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ኦሪገን ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ ውድድር ማራቶን ብምስታፍ ብዘመዝገበቶ ዓወት፡ ብሽማ ሓድሽ ክብረወሰን ዓለም ኣጽሒፋ። ኣትሌት ጎይተቶም፡ ኣብ ትግራይ ወረዳ እንደርታ ማይ ቀያሕ ኣብ እትብሃል ንእሽተይ ቑሸት ካብ ገባር ስድራ ቤት ተወሊዳ ዓብያ። ልክዕ ከምቲ መብዛሕትኡ ኢትዮጵያዊ ድማ፡ ጕያ ኣብ ቤት ትምህርቲ’ያ ጀሚራቶ። ኣብ እዋን ቍልዕነታ ዝነበራ ድልየትን ሕጂ ዝዀነቶን ግን ፈጺሙ ከም ዘይራኸብ ትዛረብ። “ጋዜጠኛ ክኸውን እዩ ነይሩ ድልየተይ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝተመሃርኩዎ ናብ ገዛ መጺአ ንስድራይ ይትንትነሎም፣ ከም ጋዜጠኛ  . . . ወረቐት ጠቕሊለ ኣብ ኢደይ ይሕዝ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣደይ 'ድልየትኪ ንሱ እዩ ነይሩ' ትብለኒ። ንሳ’ውን 'ጓለይ ጋዜጠኛ ክትኰነለይ እያ' ትብል ነይራ” ትብል። እንዳ ኣደይ ብርሂት ግን፡ ዋላ’ውን ጓሎም ጋዜጠኛ ክትኰነልና እያ ዝብል ባህጊ እንተነበሮም፡ ኣብ ክንዲ ታሪኽ ጋዜጠኛ፡ ታሪኽ ቤተሰብን ጎረቤትን ዝነበረት ‘ብልጽቲ’ ስፖርተኛ እናዘንተው ስለ ዘዕበዩዋ፡ ጎይተቶም ናብ ስፖርት ኣዘንቢላ። \"ብሱሩ’ውን ናብ ስፖርት ንኽኣቱ ዘተባብዑኒ ንሳቶም’ዮም\" ትብል። ታሪኽ ኣዳነች ጴጥሮስ ድማ ዝያዳ ደሪኹዋ። “ኣብ ገጠር ጓል ኣንስተይቲ ቍምጣ ገይራ ኣብ ስፖርት ምጕያይ ከም ነውሪ ተገይሩ’ዩ ዝቝጸር ነይሩ፤ ኣብ ገዛና ግን ወለደይ ስፖርት ስራሕ እዩ ኢሎም እዮም ዝኣምኑ ነይሮም [ብፍላይ ኣደይ]” ትብል። ጐና ጐኒ ትምህርታ፡ ንጉያ ነኺሳ ዝሓዘት ጎይተቶም ኣብ ስፖርት ጸብለልታ ከተርኢ ጀሚራ። ኣብ ሞንጐ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ዝካየዱ ውድድራት እታ ወረዳ ሓሊፋ ብደረጃ ክልል ናብ ዝተጣየሻ ክለባት ንክትሕቈፍ ግዜ ኣይወሰደላን። “እቶም ናይ ቤት ትምህርቲ ውድድራት ከም ዓብዪ ሻምፒዮን’የ ዝሓስቦም ነይረ” ትብል። በዚ መልክዑ፡ ብ2000 ዓ.ም [ኣ. ኤ] ኣብ መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጅነሪን ብጋንታ ክትሕቈፍ ክኢላ። ኣብቲ ግዜ፡ ኣብ መቐለ ናይ መጻረዪ ውድድራት ተገይሮም፡ ብ5 ሽሕ ሜትሮ ቀዳመይቲ፣ ብ10 ሽሕ ሜትሮ ድማ ሳልሰይቲ ኰይና ብምውጻእ ናብታ ጋንታ ተጸንቢራ። “ኣብ ዝኣተኻዮ ዕውት ክትከውን ኣለካ ኢሎም ካብ ዝኣምኑ ሰባት ስለ ዝዀንኩ ኣብ ስፖርት ምስ ኣተኹ ኣብ ዓዲ ብዙሕ ኣይጸናሕኩን፤ ቀልጢፈ ውጽኢታዊት ብምዃን ናብ መስፍን ኣትየ” ትብል። ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ኣብ ዓበይቲ ውድድራት ንምስታፍ ዘኽእላ ዕድል ክትረክብ እንከላ፡ ብ2011 [ኣ. ኤ] ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ዓለምለኻዊ ሻምፒዮና መንእሰይ ዓለም ንፈለማ እዋን ንሃገር ወኪላ ተሳቲፋ። እዚ፡ ውድድር ትሕቲ 18 ዓመት ኰይኑ፡ ጎይተቶም ብሰለስተ ሽሕ ሜትሮ ተሳቲፋ ቀዳመይቲ ብምውጻእ ፈላማይ ሜዳልያ ወርቂ ረኺባ። “እዚ ዓቢይ መገዲ ዝኸፈተለይ ውድድር’ዩ። ሓደ ግዜ እንተስዒርካ ከኣ ሞራል ስለ ዝኸውን፡ ድሕሪኡ ጠንኪረ ክሰርሕ ኣለኒ ኢለ።” ኣብዚ ወገን፡ ሓንሳብ ካብ ኣንደበት ኣትሌት ጎተይቶም ናብ ዘይፍለያ ኣደይ ብርሂት ክንመልሰኩም። ጎይተቶም፡ ‘ኣብነታዊት ጓል ኣንስተይቲ’ እትብለን ወላዲታ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዝበጽሕ ባህላውን ማሕበራውን ጸቕጢ እናተቓለሳ ነቲ ሕጂ በጺሓትሉ ዘላ ደረጃ ዕውትነት መስዋእትነት ከም ዝኸፈላ ትዛረብ። “ብሰንኪ እቲ ኣብ ገጠር ዘሎ ኣተሓሳስባ ተገዲዳ ትምህርታ ኣቋሪጻ ናብ ሓዳር ኣትያ፤ እዚ የሕማ’ዩ። ብዙሓት ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክበጽሓ ዝኽእላ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ብሰንኪ ጸቕጢ ወለደን ድሕሪት ክተርፋ ስለ እትርኢ ድማ፡ እቲ ኣነባብራን ባህልን ትቃለሶ ነይራ” ትብል። ክሳብ 8ይ ክፍሊ ተማሂረን’የን፤ ኣብ ትምህርተን ንፍዕቲ እንተነበራ’ውን ገና ጓል 13 ዓመት እንከለዋ ስለ ዝተመርዓዋ ግን ካብቲ ዝፈትውኦ ትምህርቲ ከም ዝተሰናኸላ ጎይተቶም ትገልጽ። በዚ፡ ወትሩ ይጉህያ ዝነበራ ወላዲት፡ ጉዳይ ትሕቲ ዕድመ ኣብ ዓባይ ጓለን’ውን ኣርኪቡ፤ ኣይተሓጐሳን። ቀጺሉ ከኣ፤ ‘ጓል ኣንስተይቲ ገጠር ተመርዒዋ ናብራ ክትሕዝ ኣለዋ’ ዝብል ብርቱዕ ንጎይተቶም ጓለን’ውን ከስዕብ ደልዩ። ሕጅስ ንኻልኣይ ግዜ ክጋገ ኣይክእልን ኢለን፤ ንበዓል ቤተን ኰነ ካልኦት ነዚ ሓሳብ ዝድግፉ ዝነበሩ ሰባት ብትሪ ክቃወምኦም፤ ደቈም ነዚ ኩነታት ንዘቃልዑ ስድራቤታት’ውን ዓገብ ምባል ጀሚረን። “ኣደዋይ፡ ጓል 13 ዓመት እናሃለወት ከም እተመርዓወት እያ ትነግረና፤ ስለዚ እቲ ሕማም ስለ ዝርድኣ፤ ኣብ ዘይድልየትካ ክኸውን እንከሎ ክኣ ዝፈጥሮ ጸቕጢ ስለ እትፈልጥ እቲ ብውሽጥን ደገን ዝመጽኣ ጸቕጢ ኣየንበርክኻን። ጎሊሕና ክንወጽእ፣ ዓርስና ክንክእል’ያ ትጽዕር፤ ጅግና’ያ” ትብል። ምንጪ፡ ድሕረ ገጽ ሻምፒዮን ኣትሌቲክስ ዓለም ኣትሌት ጎይተቶም ገብረስላሴ፡ ሕጂ ብማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ወናኒት ክብረወሰን ዓለም’ያ። ኣብ ዝቕጽል ዓመት ኣብ ዝካየድ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ድማ ቀጥታ ተሳታፊት ክትከውን እያ። እታ ኣትሌት፡ ብውልቂን ብጕጅለን ዘሰልጥኑዋ ሰለስተ ኣሰልጠንቲ ኣለውዋ። ጉያ፡ ጻዕሪ ዝሓትት እዩ እትብል ኣትሌት ጎተይቶም፡ ከቢድን ጥንቃቐ ዝሓትትን ስራሕ ከም ዝዀነ ትዛረብ። “እግሪ ጥራይ ዘይኰነ ርእሲ’ውን ምስኡ ሓቢሩ’ዩ ዝጎዪ፤ ክልቲኦም እንተዘይተናቢቦም ውጽኢታዊ ኣይትኸውንን። ከም ዕላማ እንተሒዝካዮ ድማ ጉያ ብሓጺሩ ህይወትካ’ዩ ዝቕይር” ትብል። ናብኡ ንምብጻሕ ግን ትፍተን ኢኻ፤ ሓሓሊፉ ክኣ እንኳዕ ጎያዪ ኮንኩ ትብለሉ ኣሎ፤ ሓሓሊፉ ድማ ዓመት መመላእታ’ውን ሰሪሕኻ ውጽኢት እንከየምጻእኻ ምስ እትተርፍ ተስፋ ትቘርጽ። ሰብ ብፈተና ክሓልፍ ኣለዎ ዝብል እምነት ከም ዘለዋ እትዛረብ ጎይተቶም ግን፡ “ተስፋ ኣብ ዝቘረጽኩሉ ግዜ ተማርሪ፤ ጽቡቕ ውጽኢት ኣብ ዘምጻእካሉ ክኣ ጽቡቕ ኣለኹ ኢልኪ ትዘናግዒ እንተኾይኪ ኣጸጋሚ’ዩ። ስለዚ ጉያ ብጣዕሚ ጥንቃቐ ዘድልዮ ስራሕ እዩ” ኢላ። እቲ ኣብ ኦሪገን ዝተኻየደ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም [2022]፡ እታ ኣትሌት ጐሊሓ ዝወጽኣትሉ ውድድር ኰይኑ፡ ኣብዚ ውድድር ዝተፈለየ ውጽኢት ንምምዝጋብ ዓሊማ ከም ዝኣተወት ገሊጻ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት፡ ምስ ስድርኣ ክትራኸብ ብዘይምኽኣላን ሃለዋቶም ዘይምፍላጣን ዝፈጠሮም ሓያሎ ጸቕጢ ከም ዝነበሩ እትጠቅስ ጎተይቶም፡ ግን “እዚ ዓመት ንዓይ ዓመተይ’ዩ ኢለ ይሓስብ ስለ ዝነበርኩ፡ ጽቡቕ ውጽኢት ንከምጽእ ይሰርሕ ነይረ” ኢላ። “ዝኾነ ነገር ብስራሕ ኢኻ ትስዕሮ፤ ጽባሕ ምርኻብና ኣይተርፍን፤ ኣነ ዝሐሸ ህይወት ሒዘ እንተጸኒሐ እየ ቤተሰበይ ከድሕን ዝኽእል እምበር ብስነ ኣእምሮ ተጎዲአ ካልኣይ ጉድኣት ክዀኖም ኣይደልን፤ ስለዚ እቲ ኩነታት ኣብ ኣእምሮይ ዝዀነ ዕንቅፋት ንከይፈጥረለይ ብዝብል ኣብ ስርሐይ ትኹረት ገይረ ይሰርሕ ነይረ”።","category":"CATEGORY_FOUR","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cnkzl5g7dgqo"} {"headline":"5 ሕቶታት ን6 ኢትዮጵያውያን ደቂ ኣንስትዮ ሳይንቲስት","content":"ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት - 2015፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ስነፍልጠት ንዝርከባ ኢትዮጵያውያን ደቂ ኣንስትዮ ሓሙሽተ ቀለልቲ ሕቶታት ኣቕሪብናለን ኣለና። ዶክተር ሶስና ሃይለ፤ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዩኒቨርሲቲ ኢሊኖይ ኣሜሪካ፡ ፕሮፌሰር ማተርያል ሳይንስን ምህንድስናን ከምኡ እውን ኬሚስት ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2014 (ኣ.ግ) ምስ ሞያኺ ብዝተኣሳሰር ካብ ዝተመሃዙ ዘገረመኪ ነገር እንተነይሩ ኣየናይ እዩ? ንምንታይ? ስርሐይ ምስ ሳይንስ ጸዓት ዝተኣሳሰር ኰይኑ ቀንዲ ኣተኵሮይ ኣብ ትራንስፎርመራት ኤሌክትሮ ኬሚካላዊ ጸዓት እዩ። ኣብ ሞያይ እቲ ኣዝዩ ዘገረመኒ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ እዩ። እዚ፡ ምስቲ ኣሜሪካ ሰብ ናብ ወርሒ ክትልእኽ እንከላ ዝረኸበቶ ዓወት ዝመሳሰል'ዩ። ግድብ ህዳሰ ካብቲ ናብ ወርሒ ዝተገበር ጕዕዞ ዝፈልዮ ነገር እንተሃልዩ፡ ንዓለም ብሳይንስ ኣእሚኑ ጥራይ ዘይኮነስ እንተላይ ቅልውላው ክሊማ ከየጋደደ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ካብ ድኽነት ጸዓት (Energy Poverty) ክወጹ ምግባሩ እዩ። ኣብ 2014 እቲ ዝዓበየ ዓወተይ ትብልዮ? እቲ ዝዓበየ ዓወተይ፡ ክፍሊ ጸዓት ኣሜሪካ ብዝመወሎ ገንዘብ፡ ‘ኢነርጂ ፍሮንቲርስ ሪሰርች ሴንተር’ ዝበሃል ጕጅለ መጽናዕቲ ምምስራተይ እዩ። ስራሕና ሃይድሮጅን ምስ ደረቕ ነገራት ዘለዎ ምትእስሳር ብዝምልት ዘሎ ግንዛበ ዘዕቢ እዩ። ንኣርባዕተ ዓመት 10 ሚልዮን ዶላር ረኺብና ኢና። መጽናዕትና ጸዓት ኤሌክትሪክ ተጠቒምካ ማይ ብምምቃል ሃይድሮጅን ንምፍራይ መሰረት ዘንብር እዩ። ን2015 ዝሓዝክዮ መድብ ከ እንታይ ይመስል? መደባተይ ብዙሕ እዩ! እቲ ግዜ ግን ሓጺር እዩ! ብዘይ ጭቡጥ ዕላማ መደባትካ ብግልጺ ምግላጽ እውን ናብ ውድቀት ከብጽሕ ይኽእል እዩ። ኣነን ጕጅለ መጽናዕተይን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተጠቒምካ ማይ ንምምቃል ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ንዘጋጥም ዕንቅፋታት ንምፍታሕ እዩ መደብና። እቲ ሓሳብ ልክዕ ከም ግድብ ህዳሰ ካብ ካርበን ነጻ ዝዀነ ምንጪ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምፍራይ እዩ። እቲ ቐንዲ ነገር ነቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምጥቃም ሃይድሮጅን ምፍራይ እዩ። ኣብ 2014 ኣንቢብኪ ካብ ዝፈተኽየንን ሰባት ከንብብወን ትብልየን ሰለስተ መጻሕፍቲ? ክረኣያ ኣለወን እትብልየን ስለስተ ፊልምታትከ? ዋላ ሓንቲ የብለይን! \"Thinking, Fast and Slow\" ትብል ዳኒኤል ካህንማን ዝጸሓፋ መጽሓፍ ከንብባ ደልየ ነይረ ግን ክሳብ ሕጂ ክጅምራ ግዜ ኣይረኸብኩን። ካብ ሓፈሻዊ ሳይንሳዊ ምህዞታት ወይ ርኽበታት ኣየናይ እዩ ዝያዳ ዘገርም? ንምንታይ? ካብ ዌብ ስፐይስ ቴሌስኮፕ ዝተረኽቡ ምስልታት ፍጹም ዘደንቑ እዮም። ተመራመርቲ ኣስትሮፊዚክስ ን13.7 ቢልዮን ዓመታት ንድሕሪት ክጓዓዙ ክኢሎም። ኣብዛ ምድሪ ብኸመይ ከም ዝመጻእና ምሕታትና ካብቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ካልኦት ፍጥረታት ፍልይ ክንብል ይገብረና። እዞም ብዛዕባ ምፍጣር ጋላክሲታት ዝሕብሩና ምስልታት ገለ መንፈሳዊ ሓይሊ ኣለዎም። መሬትና ዓቂብና ንደቂ ደቅና ከነውርስ ተስፋ እገብር። ቤተልሄም ደሴ፤ ኮምፒተር ሳይንቲስትን ዋና ሓላፊትን ኣይኮግ ኣኒዋን ካን ኮድ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2014 (ኣ.ግ) ምስ ሞያኺ ብዝተኣሳሰር ካብ ዝተመሃዙ ዘገረመኪ ነገር እንተነይሩ ኣየናይ እዩ? ንምንታይ? ቃላት፡ ሓረጋትን ዓረፍተ ነገራትን ናብ ምስሊ ዝቕይር ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ [ሰብሰርሖ ብልሒ] ዘገርም እዩ። ኤኣይ (AI) ኣብ ውድድር ስእሊ እውን ተዓዊቱ እዩ። እዚ ከም ክውንነት ክንርእዮ ከለና ከይተረድኣና ናበይ ኢና ንኸይድ ዘለና? ዝብል ሕቶ ዘልዕል’ዩ። ኣብ 2014 እቲ ዝዓበየ ዓወተይ ትብልዮ እንታይ እዩ? ኣብ 2014 ዓቢይ ዓወተይ ዝብሎ ኣብታ ‘Rebel Girls’ እትብል መጽሓፍ ምቕራበይ እዩ ነይሩ። ካብ ቀደም ኣትሒዙ ኣብ መጽሓፍ ህጻናት ክቐርብ ትምኒተይ ነይሩ። ኣብታ መጽሓፍ ቢሊ ኣይሊሽን ተይለር ስዊፍትን ቀሪበን እየን። ስለዚ ነቲ መጽሓፍ ክገዝእኦ እየን። ነቲ መጽሓፍ ክገዝእኦ ከለዋ ድማ ናብአን በጺሐ ኣለኹ ማለት እዩ። እታ መጽሓፍ ክሳብ ሕጂ 5 ሚልዮን ቅዳሓት ተሸይጣ ኣላ። እቲ ዝዓበየ ሰብኣዊ ዓወት ንኻልኦት ሰባት ምልዕዓል እዩ። ን2015 ዝሓዝክዮ መድብ እንታይ እዩ? ኣብ 2015 መደበይ ነቲ ካብ ጓል 13 ዓመት ከለኹ ኣትሒዙ ዝነበረ ሕልመይ ኣብ ግብሪ ምውዓል እዩ። ንሱ ድማ ተንቀሳቓሲ ማእከል ኮምፒዩተር እዩ። 'ዲጂ ትራክ ኢትዮጵያ' ተባሂሉ ይጽዋዕ። ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሕ 40 ጫማ ዝቑመቱ ኮንተይነር እዩ። ኣብ ከተማ እናዞረ ኮዲንግን ሮቦቲክስን የምህር። ናይ ብሓቂ ብሃንቀውታ ዝጽበዮ ዘለኹ ንሱ እዩ። ኣብ 2014 ኣንቢብኪ ካብ ዝፈተኽየንን ሰባት ከንብብወን ትብልየን ሰለስተ መጻሕፍቲ? ክረኣያ ኣለወን እትብልየን ስለስተ ፊልምታትከ? እንተተነበባ ዝብለን መጻሕፍቲ፡ እንተተረኣያ ዝብለን ፊልምታት ድማ፡ ካብ ሓፈሻዊ ሳይንሳዊ ምህዞታት ወይ ርኽበታት ኣየናይ እዩ ዝያዳ ዘገርም? ንምንታይ? ኢንተርነት! ሕቶ የብሉን። ከም ኢንተርነት ዝኣመሰለ ምህዞ የለን። ህይወት ቀይሩ እዩ። ምትሕልላፍ ፍልጠት ኣኽኢሉ። ኣብ መላእ ዓለም ብዘለዎ ሰፊሕ ዝርገሐን ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ዓቢይ ጽልዋ ኣለዎ። ዶ\/ር ሩት ድሪባ፤ ኣብ ላስት ማይል ሄልዝ ቴክኒካዊ ኣማኻሪትን ክኢላ ሕክምናን ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2014 (ኣ.ግ) ምስ ሞያኺ ብዝተኣሳሰር ካብ ዝተመሃዙ ዘገረመኪ ነገር እንተነይሩ ኣየናይ እዩ? ንምንታይ? ንልዕሊ ሓደ ዘመን፡ ክታበት ዓሶ ንምርካብ ፈተነታት ተኻይዱ እዩ። እቲ ክታበት ኣብ ቀረባ እዋን ተረኺቡን ተኣዊጁን ኣሎ። ክሳብ 80 ሚእታዊት ሕማም ዓሶ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ስለዘለዎ፡ በዝሒ በቲ ሕማም ዝሞቱ ህጻናት ንምንካይ ተስፋ ዝሃበ እዩ። ኣብ 2014 ዘገረመኒን ተስፋ ዝሃበንን ርኽበት እዩ ነይሩ። ኣብ 2014 እቲ ዝዓበየ ዓወተይ ትብልዮ እንታይ እዩ? እቲ ዝዓበየ ዓወተይ ኣብ ዲዛይንን ኣተገባብራን ናይቲ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝዀነ ብሓለዋ ጥዕናን ብላስት ማይል ሄልዝን ዝተተግበረ ንሰራሕተኛታት ኤክስቴንሽን ዲጂታላዊ ስልጠና ዝህብ (Blended Learning) ምስታፈይ እዩ። ን2015 ዝሓዝክዮ መድብ እንታይ እዩ? ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ 2015 ጥዕና ህጻናት ኣብ ዘመሓይሽ ስራሕ ንምስታፍ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ማሕበረሰብን ሰራሕተኛታት ኤክስቴንሽን ዘተኮረ ስራሕ ንምስራሕ መደብ ኣሎኒ። ኣብ 2014 ኣንቢብኪ ካብ ዝፈተኽየንን ሰባት ከንብብወን ትብልየን ሰለስተ መጻሕፍቲ? ክረኣያ ኣለወን እትብልየን ስለስተ ፊልምታትከ? እንተተነበባ ዝብለን መጻሕፍቲ፡ እንተ ተረኣያ ዝብለን ፊልምታት ድማ፡ ካብ ሓፈሻዊ ሳይንሳዊ ምህዞታት ወይ ርኽበታት ኣየናይ እዩ ዝያዳ ዘገርም? ንምንታይ? ንዓይ ዘድንቕ ምህዞ ክታበት እዩ። ንኣካላትና ንሕማማት፡ ንረኽሲ ዘስዕቡ ባእታታት ወይ ንጥረ ነገራት ብምልማድ ሕማም ንኽከላኸል ምድላውን ስቓይን ሞትን ከይተረፈ ምንካይን ዓቢይ ምህዞ እዩ። ብርሃን ታየ፤ ተመራማሪትን ተንታኒትን ፖሊሲ ቴክኖሎጂ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2014 (ኣ.ግ) ምስ ሞያኺ ብዝተኣሳሰር ካብ ዝተመሃዙ ዘገረመኪ ነገር እንተነይሩ ኣየናይ እዩ? ንምንታይ? እቲ ዝገረመኒ ዶትፕሎት (Dot Plot) ዝበሃል መተግበሪ (ኣፕ) እዩ። እዚ ኣፕ ኣብ ቴሌፎን ተጻዒኑ ኣብ ጡብ ዝመጽእ ለውጢ ዝከታተል ኰይኑ፡ ደቂ ኣንስትዮ መንሽሮ ጡብ ብእዋኑ ንኽፈልጣ ይሕግዝ። ገና ካብ ተቘጻጸርቲ ሕክምና ፍቓድ ዝጽበ ዘሎ'ኳ እንተዀነ፡ ከምዚ ዓይነት ኣፕ፡ ትሑት ኣታዊ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ፡ መንሽሮ ጡብ ንኽከላኸላ ዝሕግዘን እዩ። ኣብ 2014 እቲ ዝዓበየ ዓወተይ ትብልዮ እንታይ እዩ? ኣብ 2014 እቲ ዝዓበየ ዓወት ብቐጻሊ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ እናገበርኩ 10 ኪ.ሜ ምጕያይ እዩ። ን2015 ዝሓዝክዮ መድብ እንታይ እዩ? መደበይ ምስ ዘኽብሮም ሰባት ጽቡቕ ግዜ ከሕልፍ ከምኡ’ውን ንኢንተርነት ውሑድ ግዜ ብምሃብ ምስ ሰባት ዝያዳ ክዘራረብን እዩ። ኣብ 2014 ኣንቢብኪ ካብ ዝፈተኽየንን ሰባት ከንብብወን ትብልየን ሰለስተ መጻሕፍቲ? ክረኣያ ኣለወን እትብልየን ስለስተ ፊልምታትከ? እንተ ተነበባ ዝብለን መጻሕፍቲ፡ ብዙሕ ፊልምታት እኳ ኣይርእን እየ። ግን ተኸታታሊ ፊልምታት ክሕብር፤ ካብ ሓፈሻዊ ሳይንሳዊ ምህዞታት ወይ ርኽበታት ኣየናይ እዩ ዝያዳ ዘገርም? ንምንታይ? ካብ ሕትመት ንላዕሊ ዝዀነ ምህዞ ዘሎ ኣይመስለንን። ህይወት ዝሃበና ሕትመት እዩ። ቤተልሄም ላቀው፤ መስራቲት ሊሄን ንዩትሪሽን፡ ሓባራዊ መስራቲትን ዋና ኣካያዲት ስራሕን ቤኑ ፉድስ፡ መራሒት ምንቅስቓስ ኣክት ፎር ፉድ፡ ኣክት ፎር ቼንጅ ከምኡ’ውን ክኢላ ስነ-ምግቢን ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2014 (ኣ.ግ) ምስ ሞያኺ ብዝተኣሳሰር ካብ ዝተመሃዙ ዘገረመኪ ነገር እንተነይሩ ኣየናይ እዩ? ንምንታይ? ኣብ ኢትዮጵያ ምእላይ ስብሒ [Fat Removal] ተጀሚሩ ኣሎ። እዚ መስርሕ ኣብ ቀረባ ኣብ ሃገርና ክጅመር እዩ ዝብል ግምት ኣይነበረንን። ኣዝዩ ገሪሙኒ እዩ። ኣብ 2014 እቲ ዝዓበየ ዓወተይ ትብልዮ እንታይ እዩ? ኣነ ከም ወኪል መንእሰያት ኢትዮጵያ ኣብ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ኣክት ፎር ፉድ፡ ኣክት ፎር ቼንጅ ኰይነ ዝተፈላለዩ ዕማማት ይሰርሕ ነይረ። 2014 ዝያዳ ዕዉት ዝዀነሉ ግዜ እዩ። ን2015 ዝሓዝክዮ መድብ እንታይ እዩ? ሊሄም ብንእሽቶ ደረጃ እዩ ዝሰርሕ ነይሩ። ኣብ 2014 ግን ቤት ጽሕፈት ተኻሪና ስራሕ ጀሚርና ኣለና። እቲ ስራሕ ካብ ዝጅምር’ኳ ጸኒሑ እዩ። ኣብ 2015 ድማ ምስ መሻርኽትና ብምዃን ናብ ክሊኒክ ክነዓብዮ መደብ ኣሎና። ኣብ 2014 ኣንቢብኪ ካብ ዝፈተኽየንን ሰባት ከንብብወን ትብልየን ሰለስተ መጻሕፍቲ? ክረኣያ ኣለወን እትብልየን ስለስተ ፊልምታትከ? እንተተነበባ ዝብለን መጻሕፍቲ፡ ፊልም'ኳ ኣይርእይን። ኣብ ክንድኡ ሰባት ክበጽሕዎም ዝሕብሮም ሰለስተ ቦታታት ግን፤ ካብ ሓፈሻዊ ሳይንሳዊ ምህዞታት ወይ ርኽበታት ኣየናይ እዩ ዝያዳ ዘገርም? ንምንታይ? መርመራ ኢንዶስኮፒ ክግበር ምኽኣሉ ይገርመኒ። ብርግጽ ዝተሓላለኸ ሳይንስ ኣይኮነን። በዚ ሕጂ ዘሎ መሳርሒ፡ ኣብ ዝዀነ ሆስፒታል ብቐሊሉ ክሰርሕ ይኽእል እዩ። ንሓደ ሰብ ከይጠባሕና ግን ብዛዕባ ኵነታቱ ክንፈልጥ የኽእለና። መርመራ ላቦራቶሪ ምግባርን ዋህዮታት ደም ምርኣይን ምኽኣል ንግዜና ዓቢይ ርኽበት እዩ። ህሊና ሃይሉ ንጋቱ፤ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ በርክለይ ብኮምፒተር ሳይንስ ካልኣይ ዓመት ናይ ፒኤችዲ ተማሃሪት ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2014 (ኣ.ግ) ምስ ሞያኺ ብዝተኣሳሰር ካብ ዝተመሃዙ ዘገረመኪ ነገር እንተነይሩ ኣየናይ እዩ? ንምንታይ? ኣብ 2014 ሓደ ካብቲ ዝመሰጠኒ ምህዞታት፡ ጽሬት ናይቲ ብሞዴል ኤኣይ (AI) ዝፍጠር ምስልታት እዩ። እዞም ሞዴላት እዚኣቶም ብሰፊሑ ኣብ ጥቕሚ ይውዕሉ። ብሓደ ወገን ከም በዓል ቤኖ ሳሙኤል ዝኣመሰሉ ስነ ጥበባውያን ብሓገዝ ቴክኖሎጂ ስነ ጥበብ ክሰርሑ ከለዉ ይገርመኒ። ብኣንጻሩ ግቡእ ቍጽጽር ዘይተገበረሉ ቴክኖሎጂ ሓደገኛ እዩ። ኣብ 2014 እቲ ዝዓበየ ዓወተይ ትብልዮ እንታይ እዩ? እቲ ዝዓበየ ዓወተይ ኣብ ትካል ኣሶሴሽን ፎር ኮምፒውቲን ማሽነሪ ናይ ኮምፒዩቴሽናልን ዳታ ሳይንስን ፌሎውሺፕ ምዕዋተይ እዩ። ን2015 ዝሓዝክዮ መድብ እንታይ እዩ? ኣብ 2015 ኣብ ዩኒቨርሲቲ በርክለይ ካልኣይ ዓመት ናይ ፒኤችዲ ትምህርቲ ይመሃር ኣለኹ። መደበይ ምስ ኣፍሪቃውያን መሳርሕተይ ብምትሕብባር ንሕብረተሰብና ዝረብሕ ስራሕ ምስራሕ እዩ። ኣብ 2014 ኣንቢብኪ ካብ ዝፈተኽየንን ሰባት ከንብብወን ትብልየን ሰለስተ መጻሕፍቲ? ክረኣያ ኣለወን እትብልየን ስለስተ ፊልምታትከ? እንተተነበባ ዝብለን መጻሕፍቲ፡ እንተተረኣያ ዝብለን ፊልም ካብ ሓፈሻዊ ሳይንሳዊ ምህዞታት ወይ ርኽበታት ኣየናይ እዩ ዝያዳ ዘገርም? ንምንታይ? ሓደ ምህዞ ክመርጽ እንተ ተገዲደ፡ ብመጥባሕቲ ዝግበር ለውጢ ክፍሊ ኣካላት (Organ Transplantation) የደንቐኒ እዩ። ንምንታይ? ንጹር እዩ። ህይወት ሰባት ስለ ዘድሕን።","category":"CATEGORY_FOUR","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyjv0z4ejk2o"} {"headline":"ዮርዳኖስ ብርሃነ፡ ብሞት ዝተዛዘመ ጕዕዞ ስደትን ከርተትን","content":"ዮርዳኖስ ብርሃነ ጓል 15 ዓመት እንከላ፡ ዝሓሸ ህይወት ከተናዲ ናብቶም ኣብ ኣውሮጳ ዝነበሩ ስድራኣ ክትጽንበርን ብምሕላን’ያ ካብ ኤርትራ ሃዲማ ወጺኣ። ነዊሕ ግዜን መሰናኽላትን ሓሊፋ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትያ። እንተዀነ ኣብታ ሃገር ነዊሕ ከይገበረት ንሞት ዘቃልዓ መጥቃዕቲ ኻራ ኣጋጢምዋ። ሓፍቲ ዮርዳኖስ ዝኾነት ቅሳነት ብርሃነ ህይወት ሓፍታ ብኸመይ ብትራጀዲ ከምዝተዛዘመ ኣዕሊላትና ኣላ። እዋኑ፡ እታ ኣዝያ ሃይማኖታዊትን ቀልጢፋ ቋንቋ እትመልኽን ዮርዳኖስ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከተማ በርሚንግሃም ህይወታ ከተደላድል ዝጀመረትሉ ግዜ’ዩ ነይሩ። ዮርዳኖስ ካብታ መንእሰያት ብዝተፈላለየ ምኽንያታትን ጸገማትን ዝሃድሙላ ኤርትራ፡ ምስ ካልኦት ሽዱሽተ ኣሕዋታ’ያ ካብታ ሃገር ወጺኣ፤ ኵሎም ግን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን’ዮም ወጺኦም። ቅሳነት ንዮርዳኖስ ሓፍታ ክትገልጻ እንከላ፡ “ኣዝያ ስቅ በሃሊት፡ ምቕልልቲ ትሕትቲን’ያ ነይራ” ትብል። “ሕጕስቲ፡ ቛንቋ ቀልጢፋ እትመልኽ፡ ናብዚ ምስ መጽአት ቀልጢፋ’ያ ኤርትራውያን ተላልያ ህይወታ ክትቅይር ህርዲግ ትብል ነይራ።” ኣብ ከተማ በርሚንግሃም ኣብቲ ትቕመጠሉ ዝነበረት ጐደና ኤተ ስትሪት ተቐቲላ ዝሰምዑ ስድራኣ፡ ንሬሳኣ ከለልዩ ኣብ ዝመጽእሉ ኣብ ገዛኣ፡ ኣባል ቤት ንባብ እታ ከተማ ምዃና ዝሕብር ወረቐትን ፍቓድ መምርሒ መኪናን ከምዝነበራ ዝሕብር ሰነዳትን ክረኽቡ ክኢሎም። ዮርዳኖስ ናብ በርሚንግሃም ምስ መጽአት ስራሕ ረኺባ ነይራ’ያ። ኣብቲ ትሰርሓሉ ዝነበረት ድኳን ማናጀራ ዝነበረ ሶጊ ኦምራኒ፡ ጽብቕትን ቅንዕትን ምንባራ ብምሕባር ኵሉ ግዜ ሕጕስቲ፡ ፍሽክታ ዘይፍለያን ንስድራይ ክሕግዝ በሃሊትን ምናባራ’ዩ ገሊጹ። “ንፍዕቲ ሰራሕተኛ’ያ ነይራ፡ ኣብዚ ቦታ ሓጺር ግዜ’ኳ እንተገበረት ጥዑም ኣፋን እንግሊዛ ጽሩይን’ዩ ነይሩ” ይብል ሶጊ ኦምራኒ። “ኵሎም ዓማዊልና ሞይታ ምስ ሰምዑ በኽዮም፡ ኣነ’ውን በኽየ፡ ኣዝዩ ዘሕዝን ነገር’ዩ ነይሩ።” ቅሳነት ንዮርናዶስ ብሸውዓት ዓመታት’ያ ትዓብያ፣ እንተዀነ ልክዕ ከምዛ መናቱ’የን ዝረዳድኣ ነይረን። “ካብ ኤርትራ ካብ ዝወጽኣትሉ ክሳብ ቅድሚ ምማታ ዝነበራ ክልተ መዓልታት፡ መዓልታዊ ንራኸብ ነይርና ኢና፣ ኣዚና ኢና ንቀራረብ፡ መዓልታዊ እየ ደዊለ ወይ ንሳ ደዊላ ነዕልል። ቅድሚ ምማታ ዝነበራ ክልተ መዓልታት ግን ኣጋጣሚ ኣይተደዋወልናን” ቅሳነት ጓል 19 ዓመት እንከላ’ያ ኣብ 2014 ካብ ኤርትራ ወጺኣ። ኣብ ኖርወይ ከኣ ትነብር ኣላ። ቅሳነት ናብ ኖርወይ ምስ ኣተወት ተማሂራ፤ ስራሕ ረኺባ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ከኣ ቈልዓ ወሊዳ። ጕዕዞ ቅሳነት ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሊብያ፡ ማእከላይ ባሕሪ፡ ዓዲ ጥልያን፡ ጀርመን፡ ሽወድን ሰጊራ ናብዛ ትነብረላ ዘላ ኖርወይ ክትበጽሕ ብሓፈሻ ሓደ ዓመት’ዩ ወሲዱላ። “እቲ ጕዕዞ ከቢድ’ዩ ነይሩ፣ ብፍላይ ንምድረ በዳ ሳሃራ ክትሰግር ከቢድ’ዩ ኢልካ ጥራይ ትሰግሮ ኣይኰነን ኣዝዩ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ፡ ህይወትካ ኣብ ሓደጋ ኣእቲኻ ትኸዶ ጕዕዞ’ዩ” ትብል ቅሳነት። ኣብ መጋቢት 2017 ከኣ ጓል 15 ዓመት ዮርዳኖስ ነቲ ቅሳነት ሓፍታ ዝሰገረቶ ጕዕዞ ምድረበዳ ጀሚራቶ። ጕዕዞኣ ልክዕ ከም ናይ ቅሳነት ኣዝዩ ጽንኩርን ነዊሕን’ዩ ነይሩ። ኣብ ሊብያ ሸውዓት ኣዋርሕ’ያ ገይራ፡ ነዚ ዅሉ ምስጋራ ግን ተኣምር ከምዝዀነ እያ ዮርዳኖስ ትገልጽ። “ኣብ ሊብያ እተሕልፎ ህይወት ኣዝዩ ከቢድ’ዩ፡ ቅሳነት ሓፍተይ’ውን ኣብ ልብያ ዝነበረተን ሸውዓተ ኣዋርሕ ብሕማቕ’ያ ኣሕሊፋተን።” ዮርዳኖስን ኣማኢት መጓዕዝታን ድሕነት ኣብ ዘይብሉ ቦታ ኣብ ሓደ ዓቢይ መኻዚኖ ተዓጽዮም ብዘይ እኹል መግቢ፡ ብዘይ ሕክምናን ዓይኒ ምድሪ ኣብ ዘይብሉ ቦታን’ዮም ነይሮም። ኣብቲ ቦታ ማህረምትን ዓመጻትን ንቡር ተርእዮ’ዩ፤ እንተዀነ ዮርዳኖስ ኣብ ሊብያ ኣብ ዝነበረትሉ ኣዝያ ሓሚማን ደኺማን ስለዝነበረት፡ ሕማቕ ነገራት ከምዘየጋጠማ ቅሳነት ትገልጽ። ዮርዳኖስ ንማእከላይ ባሕሪ ሰጊራ ናብ ዓዲ ጥልያን ኣብ ዝኣተወትሉ ኣዝያ ስለዝሓመመት፡ ብቓሬዛ [ስትሬቸር] ተጸይራ እያ ናብ ሕክምና ተወሲዳ። እታ ዝጓዓዙላ ዝነበሩ ንእሽተይ ጃልባ ኣብ ማእከል ባሕሪ ምስ ተበላሸወት፡ ክሳብ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን መጺኦም ዝረድእዎም ብዙሓት እዮም ተዳኺሞም ጸኒሖም፡ ዮርዳኖስ ከኣ ሓንቲ ካብኦም ነይራ። “እቲ ቐንዲ ሕማማ ዋሕዲ መኣዛዊ መግቢ እዩ፡ ብዘይካኡ ብርቱዕ ረስኒ ዘስዓበላ ሕማም ቆርበት’ውን ኣማዕቢላ ነይራ፡ ልባ’ውን ጽቡቕ ትወቅዕ ኣይነበረትን” “ናብ ዓዲ ጥልያን ኣብ ዝበጽሓትሉ ኣዝያ እያ ደኺማ ነይራ፣ ናብ ዓዲ ጥልያን ምስ ኣተወት ቀልጢፍና ደሃይ ኣይረኸብናን ድሕሪ ክልተ ሳምንታት ኢና ኣብ ሆስፒታል ምህላዋ ክንፈልጥ ክኢልና፡” ኣብቲ ሆስፒታል ጥዕናኣ ተመሓይሹ ናብ ጽቡቕ ደረጃ ኣብ ዝበጽሓትሉ ኸኣ ካልእ ጸገማት ክቀላቐለና ጀሚሩ። ዮርዳኖስ ጕዕዞ ስደታ ብምቕጻል ናብ ኖርወይ ክተበጽሕ ክኣለት፡ ናብታ ዓባይ ሓፍታ ቅሳነት ትነብረላ ሃገር። ካብቲ ዝነበረቶ መዓስከር ስደተኛታት እናኸደት ከኣ፡ ምስ ቅሳነት ሓፍታ ኣፍ ንኣፍ ተወሃሂበን ዘዕልላሉ ዕድል ረኺበን። እንተዀነ ጕዕዞ ሕቶ ዑቕባ ኣብ ዝጻረየሉ ዝነበረ እዋን፡ ዩርዳኖስ ኣብ ዓዲ ጥልያን ኣሰር ኣጻብዕቲ [ኣሸራ] ገይራ ምንባራ ተፈልጠ። ብመሰረት ኣብ ኣውሮጳ ዘሎ ሕጊ [ዱብሊን ኮንቨንሽን]፡ ዝዀነ ስደተኛ ኣብታ መጀመርታ ዝረገጻ ኣውሮጳዊት ሃገር ዑቕባ ክሓትት’ዩ ዝግደድ። በዚ መሰረት ሰብ መዚ ኖርወይ፡ ዮርዳኖስ ናብ ዓዲ ጣልያን ክትምለስ ወሲኖም። ቅሳነትን ዮርዳኖስን በቲ ውሳነ ኣዝየን ሰንበዳ። “ኣብዚ እንከላ ኣዝያ’ያ ሕጕስቲ ነይራ፡ ኣብዚ ድሕነቱ ዝተሓለወን ሰብኣዊ መሰልካ ዝኽበረሉን ሃገር’ዩ” ትብል ቅሳነት። “ኣብዚ ክልተ ዓመት’ያ ገይራ፡ ኣብ ቋንቋን ትምህርትን ኣዝያ ትግደስ ስለዝነበረት ግን ኣነ’ውን ክንድኣ ክዛረብ ኣይክእልን’የ፡ ናብ ዓዲ ጥልያን ክመልሱኒ’ዮም ዝብል ፈጺሙ ሓሳብ ኣይነበራን፣ ናብ ዓዲ ጥልያን ክትምለሲ ኢኺ ምስ ተባህለት ግን ኣዝያ ሰንቢዳ፡ ኣነ’ውን ሰንቢደ’የ።” “ናብ ዓዲ ጥልያን ተመለሲ ኣብ ዝተበሃለትሉ፡ ጓል 16 ዓመት’ያ ነይራ። ኣነ ዓባይ ሓፍታ’የ ባዕለይ ክኣልያ ምኽኣልኩ ከምኡ ኢለ’ውን ሓቢረ’የ፣ ሰማዒ ግን ኣይረኸብናን። እቲ ዝወሰድዎ ስጕምቲ ኣዝዩ ግጉይ’ዩ ነይሩ። ጓል 16 ዓመት ኰይና ካብ ስድራኣ ክትፍለ ጌጋ’ዩ።” ዮርዳኖስ ናብ ዓዲ ጥልያን ክትምለስ ውሳነ  ምስ ተውሃባ ካብ ቅሳነት ሓፍታ ተፈላልያ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ናብ ዓዲ ጥልያን ተመሊሳ፣ እንተዀነ ውሑድ ዕድል ደኣ ይሃልዎ’ምበር ይግባይ ክብላ’የን ወሲነን። ዮርዳኖስ ኣብ ዓዲ ጥልያን ውሑድ መዓልታት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሕጂ’ውን ከቢድ ጥምየት ዘለዎ ጕዕዞ ሰጊራ ናብ ቤልጂየም ብምእታው፡ ንዩኤንኤችሲኣር ረኺባቶም። ንሶም ከኣ ዕድመኣ ርእዮም ናብ ኖርወይ ክትምለሰሉ ትኽእል ዕድል ከናድዩ ጉዳያ ሒዘሞ። ናብ ኖርወይ ክትምለስ ተወሲኑላ፣ ናብ ኖርወይ ብምምላስ ኸኣ ምስ ኣብ ኖርወይ ዝነበር ሓዋን ኣብ መዓስከርን ክትነብር ጀሚራ። “ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ በቶም ኣለይቲ መዓስከር ናብ ኖርወይ ከምዝተመለሰት ዝሕብር ደብዳበ ተደዋሂብዋ ናብ ፖሊስ ከተብጽሖ ተነጊራ፣ ከምቲ ዝተበሃለቶ’ውን ገይራ” ትብል ቅሳነት። “ፖሊስ ግን ንደብዳበ ተቐቢሎም ንኽልተ ወርሒ ኣሲሮማ፡ ኣብ ኖርወይ ክትነብር ከምዘይትኽእል ብምሕባር ዳግማይ ናብ ዓዲ ጥልያን መሊሶማ።” “ገና ጓል 18 ዓመት ዘይመለአት ቈልዓ ክሳብ ክንድ'ዚ ክትከላበት ኣእምሮኣ’ውን ዝጻወሮ ኣይነበረን።” ኣብ ኖርወይ ጠበቃኣ ዝነበረ ኣንድሬ ማከልጀርድ፡ ውዕል ዱብሊን፡ ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ኣተሓሕዛ ሓተትቲ ዑቕባ ዝኸተማኦ ውዕል ኰይኑ፡ እንተዀነ መንግስቲ ኖርወይ፡ ዮርዳኖስ ትሕቲ ዕድመ ብምዃናን ክኣልይዋ ዝኽእሉ ዓበይቲ ኣሕዋታ ኣብ ኖርወይ ብምንባሮምን ኣብ ኖርወይ ክትነብር ክፈቕዱላ ተኽእሎ ከምዝነበሮም ይገልጽ። “ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን ነዚ ምርኩስ ብምግባር ዘቕረብናዮ ጥርዓን ሚዛን ክወሃቦ ኣይከኣለን፡ እቲ ሓፈሻዊ ሕጊ ከምዝትግበር ብምግባር ናብታ መጀመርታ ኣሰር ኣጻብዕቲ ዘንበረትላ ኢጣልያን ክትምለስ ውሳነ ተመሓላሊፉ፡” ይብል። ዮርዳኖስ ሕጂ’ውን ካብ ዓዲ ጥልያን ደጊማ ናብ ቤልጂየም ብምኻድ፡ ኣዝዩ ከቢድ ህይወት ብምሕላፍ ኣብታ ሃገር ብዝነበሩ ገበርቲ ሰናይ ሓገዝ እናተገበረላ ንሸውዓት ኣዋርሕ ጸንሐት። ሓደ መዓልቲ ግን ብዓባይ መኪና ጽዕነት፡ ብሕቡእ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትያ። እቶም ኣብ ቤልጂየም ዝሕግዝዋ ዝነበሩ ትካል ግብረ ሰናይ’ውን ኣይተጋደፍዋን ደሃያ ይገብሩ ነይሮም። “ኣዝዮም ጥዑማት’ዮም፡ ምስ ዮርዳኖስ ጽቡቕ ርክብ’ዩ ነይርዎም፡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብሰላም ምእታዋ ኣዝዮም’ዮም ተሓጕሶም ክልተ ግዜ ኸኣ ብኣካል ብምምጻእ በጺሖማ” ትብል ቅሳነት። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ሓደ ዓመት ምስ ገበረት፡ ዮርዳኖስ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከም ስደተኛ ኰይና ክትነብር ዘኽእላ ወረቐት ተዋሂብዋ፡ እዚ ክኸውን እንከሎ ዮርዳኖስ ጓል 18 ዓመት’ያ ኰይና ነይራ። ሃንደበት ግን ስድራኣ፡ ዮርዳኖስ ከምዝሞተት ዝነግር መርድእ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተለጢፉ ርእዮም። “እንታይ እዩ ኣጋጢሙ ኣይፈለጥኩን፡ ሓፍተይ ኣብ ኢንስታግራም ገለ ምስ ርኣየት ደዊላትለይ” “እንታይ’የ ዝርኢ ዘለኹ ንዮርዳኖስ ደዊልክላ ነይርኪዶ? ኢላ ደዊላትለይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ኣይደወልኩላን እሂ እንታይዶ ኣጋጢምና’ዩ ኢለ መሊሰላ” ትብል ቅሳነት። ቅሳነትን ብዓል ቤታ ንቅሳነትን ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡ ኣዕሩኽ ዮርዳኖስ ብምድዋል ከጻርዩ ኣብ ዝፈተንሉ፡ ዮርዳኖስ ብሓደጋ ከምዝሞተት ዝሕብር መሪር መርድእ በጺሕዎም። ሬሳኣ ንኸላልዩ ኸኣ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ተጓዒዞም። “ኣብ ዓቢ ስንባደ እንከለና ኣነን ክልተ ኣሕዋተይን ሬሳ ሓፍትና ንኸነላሊ ብቕልጡፍ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ገይሽና” “ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ኣተና ኣብኡ ብዙሓት ኤርትራውያን እዅል ምትሕብባር ገይሮሙልና፡ ነዕርፈሉ ገዛ ኣዳልዮምልና ጸኒሖም” ንዮርዳኖስ ብኻራ ዝቐተላ ሓለፎም ወልደዮውሃንስ ዝተበሃለ ኣብ ሽፊልድ ዝነበር መንእሰይ’ዩ፡ ብቕትለት ሰብ ተኸሲሱ ኸኣ ገበነኛ ኰይኑ ስለዝተረኸበ ን21 ዓመት ክእሰር ፍርዲ ተዋሂብዎ ኣሎ። ስድራ ዮርዳኖስ ግን 21 ዓመት ጥራይ ክእሰር እዅል ከምዘይኰነ’ዮም ዝገልጹ። ንዮርዳኖስ ዓቢ ሓዋ ገዛኢ ብርሃነ “ኣነ [በቲ ፍርዲ] ሕጕስ ኣይኮንኩን፡ ዮርዳኖስ ሓፍተይ ኣዝያ ንፍዕቲ ሰብ እያ ነይራ፣ ገና ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ኸኣ ብዘሰቕቕ ኣገባብ ቀቲልዋ፡ 21 ዓመት ጥራይ ክእሰር እዅል ኣይኮነን” ኢሉ። ገዛኢ ንዮርዳኖስ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ቅትለታ ረኺብዋ ነይሩ’ዩ። ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ከምዝተማሃረትን ናይ መጻኢ መደባታን የዕሊላቶ ነይራ። “ትምህርቲ ክትጅምር’ያ ወጢና ነይራ፣ እንተኾነ ዶክተር እንተዘይኮይኑ ግን ነርስ ክትከውንን ኵነታት መንግስትና ርእያ ናብ ኤርትራ ናይ ምምላስን ንስድራና ናይ ምሕጋዝ መደባትን’ዩ ነይርዋ።” “ዮርዳኖስ ብዕድመ ንእሽተይ’ያ ግን ዘይከም ዕድመኣ ዓቢይ ሓሳባት’ዩ ነይርዋ” ይብል ገዛኢ።","category":"CATEGORY_FOUR","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c517ykv7n5eo"} {"headline":"“ጠንካራ ዘይትፈርሕ ትግራወይቲ ኮይነ ኣርኣያ ክኸውን’የ ዝደሊ” ሞዴል መዓርግ","content":"ምዕባለ እቲ ኲናት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናበኣሰ ክኸይድ ከሎ ጭንቀትን ሓዘንን መዓርግ ብዝያዳ እናወሰኸ ከደ። ‘ቤተሰብ ዳግማይ ዝርእየሉ ዕድል ይህሉዶ ይኸውን?’ ዝብል ሕቶ ኣብ ውሽጣ ተፈጠረ።","category":"CATEGORY_FOUR","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c9rqepdvnqzo"} {"headline":"ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝሓረሰት ኤርትራዊት ኣደ","content":"ካብ ቱርኪ ተበጊሳ ኣብ ገምገም ባሕሪ ግሪኽ ዝሓረሰት ኤርትራዊት ኣደ ኣብ ጽቡቕ ጥዕናዊ ኩነታት ከምዘላ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።","category":"CATEGORY_FOUR","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2603pg5gzo"} {"headline":"ኢትዮጵያዊት ተመራማሪት ተኽሊ ሓጋዚት ፕሮፌሰር መሰረት ተሰማ","content":"ንመወዳእታ ግዜ ዝርኣኽምዎ እንስሳ እንታይ’ዩ? ሕብሩ፡ ዓቐኑን ቅርጹን ትዝክሩዎ’ዶ? ካብ ካልኦት እንስሳታት ብኸመይ ትፈልዩዎ? ግርም፤ ሕጂ ብዛዕባ እቶም መብዛሕትኡ ግዜ፡ መግብን መኣዛን ካብኡ ሓሊፉ’ውን መድሃኒት ዝህቡናን ኣብ ህይወትና ብብዙሕ መልክዑ ኣበርክቶ ዘለዎምን ኣትክልቲ ክነልዕል። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ንመወዳእታ ግዜ ዝርኣኹምዎ ዓይነት ተኽሊ ኸ እንታይ እዩ? ኣእምሮኹም፡ ኣክንዲ እቲ ተኽሊ፡ ቀልጢፉ እቲ ንመወዳእታ ግዜ ዝርኣኹምዎ እንስሳ ዝመጽኣሉ እንተዀይኑ እቲ ጸገም ኣብ በይንኹም ኣይኰነን። መብዛሕትና፡ ኣብ ከባቢና ዘሎ ተኽሊ ናይ ዘይምስትውዓል ጸገም ከም ዘለና ሳይንስ ይገልጽ፤ ተመራመርቲ ነዚ ‘plant blindness’ ኢሎም ይሰምይዎ። ሓጋዚት ፕሮፌሰር መሰረት ተሰማ ግን፡ ካብ ግዜ ቍልዕነታ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ካብ ሕልናኣ ዘይጠፍእ፡ ጨናኡ እንከይተረፈ ፈጺማ ዘይትርስዖን ወትሩ እትርእዮን ሓደ ተኽሊ ኣሎ። ካብ እኖ-ሓጐኣ’ያ ወሪሳቶ። ጨናኡ ጥራይ ዘይኰነ ንጥዕና’ውን ጠቓሚ’ዩ ዝብል እምነት ስለ ዘለዋ፡ ኣብ ገደናኣ ካብ ዝተኸለቶም ኣትክልቲ ሓደ’ዩ። “ዓባየይ፡ ክዳውንታ ሓጺባ፡ ሳዕሪ ሮማዲ [Lemongrass] ጠጢቓ ኣብ ክዳና ትገብሮ እሞ ‘ለሚን ተሰኪማ ድያ ትዘውር?’ ይብል ነይረ። ሓደ መዓልቲ ኸኣ፡ ንዓይ ክዳን ሰሪሓ ብኡኡ ጠቕሊላ ኣምጺኣትለይ። ክሳብ ሕጂ ጨናኡ ካብ ሕልናይ ኣይወጽአን” ትብል። ድሕሪኡ ግን፡ ስርሓን ህይወታን ምስ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣትክልቲ ስለ ዝዀነ፡ ንዓኣ ‘ንመወዳእታ ግዜ ዝርኣኽዮ ተኽልስ ትዝክርዮ’ዶ?’ ኢልካ ምሕታት ዋዛ እዩ ዝኸውን። መሰረት፡ ኣደ ክልተ ቈልዑን ብዙሓት መሓዙት ዘለውዋን ተመራማሪት ስነ-ኣትክልቲ እያ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ሕርሻ ብፍላይ ምስ ደርቂ ብዝተኣሳሰር፡ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣትክልቲ ‘ብኸመይ ደርቂ ክጻወሩ ከም ዝኽእሉ ምግባር ይክኣል?’ ኣብ ዝብል ኣድሂባ ትሰርሕ ኣላ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዋሳ ኮሌጅ ሕርሻ ድማ፡ መመረቒ ምርምራት ብብዝሒ ኣብቲ ንሳ እትሰርሓሉ ዓይነት ምርምር ኣተኵሮም ዝሰርሑ ተመሃሮ ካልኣይን ሳልሳይን ዲግሪ ትመሚ። ስርሓት ምርምር ሓጋዚት ፕሮፌሰር መሰረት፡ ተኽሊ [እጽዋት] ሕጽረት ማይ ዝፈጥሮ ውጥረት ወይ ጸቕጢ ክላመዱን ከም ማሽላን ዕፉንን ዝኣመሰሉ ዘራእቲ ድማ ምስ ክሊማዊ ለውጢ ብኸመይ ምልማድ ይከኣል ኣብ ዝብል ዘተኰሩ’ዮም። “ንሕና [ሰባት] ንደክም፡ ንጭነቕ፡ ንፈርሕ ኢና፤ ብፍላይ ክንጭነቕ እንከለና ነቲ ጭንቀት ንምጽዋር እነመንጭዎ ሆርሞን ኣሎ።ኣትክልቲ’ውን ከምኡ ይገብሩ እዮም - ይጭነቝ። ንሳቶም’ውን [ብፍላይ] ክሊማዊ ለውጢ ክጻወሩ ዘኽእሎም ሆርሞን የመንጭው እዮም፡” ትብል። ኣትክልቲ፡ ነዚ ብዝተፈላለየ መገዲ ክጻወርዎ እንከለው፡ እዚ ኸኣ፡ ቁመቶም ምንካይ፣ መጠን ዘፍርይዎ ቘጽሊ ምንካይ፣ ወይ’ውን ሰራውሮም ብምብዛሕ ካብ ካልእ ቦታ ትሕዝቶ ማዕድናት ብምውሳድ ክኸውን ከም ዝኽእል መሰረት ተረድእ። ንኣነባብራኦም ዝምልከት፡ ርእሱ ዝኽኣለ ሚስጥራት ኣለዎም። እቲ ዘድልዮም ኣብ ዘድልዮም ግዜን ቦታን መደብ ገይሮም እዮም ዝጥቀሙሉ። ንኣብነት ሰራውሮም እንተርኢና፡ ኣትክልቲ መዓስ እንታይ ዓይነት ሰራውር ክህልዎም ከም ዘለዎ ይወስኑ’ዮም። ማይ ክውሕድ እንከሎ፡ ናብ ጐድኒ ዘይኮነ ንታሕቲ እዮም ዝዓብዩ፤ ኣብዚ ግዜ፡ ዓበይቲ ዘይኰነ ንኣሽቱ ሰራውር ብምውጻእ ብኡኡ ማይ ናብ ዘለዎ ቦታ ከይዶም ማይ ይወስዱ። ብዓቢኡ ግን፡ ኣትክልቲ ተጸኒዖም ዘይተወድኡ ብዝሐ-ህይወት’ዮም እዩ ዝብሃል። ብኻልእ ወገን፡  ኣብ ውሽጢ ሓመድ ሚሊዮናት ማክሮኦርጋኒዝም ምህላዎም እትገልጽ ሓጋዚት ፕሮፌሰር መሰረት፡ እዞም ኣብ ውሽጢ ሓመድ ዝርከቡ ነፍሳት ዝህብዎ ጥቕሚ ዝምልከት ተጽንዕ ምህላዋ ትዛረብ። “እዚኦም ኣትክልቲ ብቐሊሉ ካብ ከባቢኦም መኣዛ ክወስዱ፣ እቶም መኣዛታት ድማ ንክፍጠሩ፣ ብቐሊሉ ማይ ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ክእክቡ ይገብሩ። ብኻልእ ወገን በቲ ዘመንጭውዎ ኬሚካል ኣቢሎም እቶም ኣትክልቲ እቲ ዘሎ ሕጽረት ማይ ንኽፈልጡ፣ ካብኡ ተበገሲኦም ነብሶም ንከዳለው፣ ዕብየቶም ክልውጡ ይኽእሉ። ስለዚ እዚኦም ነቲ ዘሎ ክሊማዊ ለውጢ መፍትሒ’ዮም ኢለ ስለ ዝኣምን ብሰፊሑ ንኽንጥቀመሎም ኣብኡ ምስራሕ ጀሚረ ኣለኹ፡” ኢላ። በዅሪ ውላድ፡ ነቶም ድሒሮም ዝመጽኡ ቈልዑ ጽቡቕ ኣሰር ከንጽፍ ምርኣይ፡ ትጽቢት መብዛሕትኦም ስድራቤታት’ዩ። ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ተወሊዳ ዝዓበየት መሰረት’ውን፡ ስድራኣ ኣብነት ዝደሓሩ ደቈም ንኽትኰነሎም ትጽቢት ነበሮም። ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ነጥቢ ኣምጺኣ ክፍሊ ትምህርቲ ሕርሻ ምምዳባ ግን ፈጺሙ ዝተሓጐሰትሉ ኣጋጣሚ ኣይነበረን። ልክዕ ከምቲ መብዛሕትኡ ተመሃሪ ቀዳማይ ምርጫኡ ኣብ ዘይኰነ ምደባ ክበጽሖ እንከሎ ዝስምዖ፡ ንሳ’ውን ትጽቢታን ግሃዳዊ ክስተትን ኣይተቓደወላን ነይሩ። በዚ ምኽንያት ኣይተሓጐሰትን። “ኣብቲ ግዜ፡ ውሑዳት ሰባት ኢና ንሓልፍ ነይርና፤ ኣነ ኸኣ ድልየተይ ሕክምና ከጽንዕ’ዩ ነይሩ። ኣቦይ’ውን ናይ እንስሳት ሓኪም ስለ ዝዀነ፡ ብዙሕ ናይ ሳይንስ መጽሓፍቲ እናንበብኩ’የ ዓብየ። ስለዚ ሕክምና ክመሃር ይደሊ ነይሩ” ትብል። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ተፈተንቲ 12 ክፍሊ ውጽኢቶምን ምደባ ዘጽንዕሉ ዩኒቨርሲቲን ኣብ ገዛኦም ኰይኖም ብቴሌፎን እዩ ዝበጽሖም። ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ግን ከምኡ ኣይነበረን። ሓጋዚት ፕሮፌሰር መሰረት ተሰማ፡ ብ1992 ዓ.ም [ግእዝ] ማትሪክ ክትወስድ እንከላ፡ ኵሉ ነገር ኣብ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ተሓቲሙ ክሳብ ዝወጽእ ክትጽበ ግድን ነይሩ። “ሽዑ፡ ኣኮይ’ዩ ርእዩዎ፤ እንታይ ከም ዝደሊ ስለ ዝፈልጥ ንዓይ ከይተዛረበ ንአቦይ ነጊርዎ። ወለደይ ከኣ ከይትሓዝን ኢሎም፡ ተማኺሮም ጸኒሖም፡ ‘እቲ ቀንዲ ዘገድስ ናብ ዩኒቨርሲቲ ምእታው’ዩ፡’ ኢሎም ኰፍ ኣቢሎም ነጊሮምኒ። ግን ሓዚነ’የ” ትብል። ወሲኻ፡ “ዩኒቨርሲቲ ምስ ኣተኹ [ኣዋሳ ኮሌጅ ሕርሻ እዩ ዝብሃል ነይሩ] ውሑዳት ኢና ነይርና። ኣነ ናብ ስነ-ህይወት ዘዘንበልኩ ስለ ዝነበርኩ ስነ-ኣትክልቲ መሪጸ። ድሕሪኡ ግን ጽቡቕ ነጥቢ ኣምጺአ፡ ፈትየዮ ተማሂረዮ። ሕጂ ከም ብዓሚቝ ስምዒት እየ ዝሰርሖ” ኢላ። ቅድም ኢሉ፡ ብዛዕባ ንመወዳእታ ግዜ ዝርኣኹምዎ ዓይነት ተኽሊ ሓቲትናኩም ነይርና። መሰረት፡ ሎሚ ዝርኣኽዎ ተኽሊ እንታይ ይኸውን ዝብል ጥራይ ዘይኰነ፡ ክወግሕን ክመስን ዘርእይዎ ጠባይ’ውን ምክትታልን ምስትብሃልን መነባብሮኣ እዩ። ምስ ኣትክልቲ ክትነብር ወይ ክትትንክፎም እንከለኻ፡ ንጉሆ ዕምበባኦም ክኸፍቱ፣ ምሸት ድማ ዕምበባኦም ክዓጽው ክትርእዮ እንከላ የግርመላ። ካብዚ ብዝብገስ፡ “ናይ ምንባርና ምኽንያት’ዮም” ክትብል ትገልጾም። ሓቂ’ዩ፡ ብቐንዱ እንተንፍሶ ኦክስጂን ዝህቡና ንሳቶም’ዮም። እንተዀነ ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ ዝስዕቡ ዘለው ጸቕጢታት፡ምጥፋእ ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝዀኑ ኣትክልትን፡ ምንካይ ስነ-ሂወታዊ ብዙሕነትን የስግኣ። ምስ ክሊማዊ ለውጢ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ዝዓበየ ጸገም ደርቂ ከምኡ’ውን ሕጽረት ማይ እዩ። “ሰባት ጸሓይ ክበዝሓና እንከሎ፡ ካብ ሓደ ከባቢ ናብ ካልእ ቦታ ንንቀሳቐስ ኢና። ኣትክልቲ ግን ከምኡ ኣይኰኑን፣ ኣብ ዘለውዎ ኰይኖም እዮም ዝጻወርዎ። ነዚ ብተፈጥሮኦም ዝጻወርዎ ገለ ዓሌታት ኣለው፤ ገሊኦም ግን ኣይክእሉን። ስለዚ እቶም ተጻወርቲ ዘይኰኑ ምስቶም ክጻወሩ ዝኽእሉ ክዳቐሉ ንገብሮም ኣለና” ትብል። ኣብዚ ዓመት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተኸስተ ደርቂ ጥራይ እንተርኢና፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ሶማሊያን ኣሽሓት ኣርባሕቲ እንስሳን ሓረስቶትን ካብ ቤት ንብረቶም ከመዛብል እንከሎ፡ ብዙሓት ጥሪት ሞይተን እየን። ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ከም ዝብሎ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣስታት 20 ሚሊዮን ሰባት ንዝኸፍአ ሓደጋ ጥምየት ዝተቓልዑ’ዮም። ኢትዮጵያ ድሕሪ 40 ዓመት እቲ ዝኸፍአ ደርቂ ከጋጥማ እንከሎ 40 ሚኢታዊት ህዝቢ ሶማሊያ ንዝኸፍአ ጥምየት ተቓሊዑ ይርከብ። ክሊማዊ ለውጢ፡ ናይዚ ሽግር ቀንዲ ምኽንያት ኰይኑ ኣፍሪቃ ቀንዲ ተጠቃዒት ክሊማዊ ለውጢ ከም ዝዀነት ውድብ ሕቡራት ይገልጽ። ነዚ መንቀሊ ንዝዀነ ልቀት ካርበን ግን 4 ሚእታዊት ጥራይ ብጽሒት እዩ ዘለዋ። ተመራመርቲ፡ ቅጥዒ ዝናብን ንፋስን ተንቲኖም፣ መጠን ጠሊ ሓመድ ኣጽኒዖም፣ ዋሕዚ ሩባታት ተገንዚቦም፣ ዓለምለኻዊ ዋጋ ዘራእቲ ኣሰላሲሎም፣ ምልውዋጥ ኵነታት ኣየርን ኣብ ሓምላይ ከባቢታት ዘሎ ለውጢ መረዳእታ ሳተላይትን ከምኡ’ውን ሓበሬታት ጐንጽን ሰብኣዊ ቅልውላውን ተደሪዀም፡ ሓደጋ ጥምየትን ደርቅን ቅድሚ ምግጣሙ ክእምቱ ይኽእሉ’ዮም። ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ዝዓበየ ስርዓተ መጠንቀቕታ ጥምየት ዝዀነ መርበብ መጠንቀቕታ ቅድመ ጥምየት [Fews Net] ብ2016፡ እቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣስታት 27 ሚሊዮን ህዝቢ ንከቢድ ሕጽረት መግቢ ከየቃልዕ ተሰጊኡ ዘሎ ሓያል ደርቂ ከጋጥም ከም ዝኽእል ኣአንፊቱ ነይሩ። እቲ ብተኸታታሊ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ሶማሊያን ሓዊሱ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኽሰት ዘሎ ደርቂ ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ ዘጋጥም ሕጽረት ዝናብን እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብን ስዒቡ ዝመጽእ ከም ዝዀነ፡ እትጠቅስት ሓጋዚት ፕሮፌሰር መሰረት፡ ብቐጻሊ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው የስዕብ ምህላው ትዛረብ። “እዚ ዓቢይ ጸገም’ዩ [ክሊማዊ ለውጢ]፤ ተጠናኺሩ እዩ ዝቕጽል። ብምኽንያት ክሊማዊ ለውጢ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ክውስኹ’ዮም ዝብል ግምታት’ዩ ዘሎ። ስለዚ ክሊማዊ ለውጢ ምህላው ክንኣምን፡ ኣብ ከባቢና ዝኽሰቱ ዘለው ነገራት ከነስተብህለሎም፣ ፖሊሲ ዝቐርጹ ሰባት ድማ ነዚ ኣብ ግምት ከእትውን ሓላፍነት ኵላትና ክኸውን ይግባእ፡” ኢላ። ካብዚ ብዝብገስ፡ ሓደጋታት ደርቂ እናቐጸለ ዝኸይድ ስግኣት ብምዃኑ፡ ኣትክልቲ ነዚ ከመይ ክጻወሩ ይኽእሉ? ደርቂ ዝጻወሩ ኣትክልቲኸ ብኸመይ መልክዑ ናብ ሓረስታይ ክቐረቡ ይኽእሉ? ኣብ ዝብሉ ምርምራት ከም እተተኵር ብምግላጽ፡ ሕብረተሰብ ንዝነብረሉ ከባቢ ተላሚዶም ዝጸንሑ ዓይነታት ኣትክልቲ ከይጠፍኡ’ውን ቈላሕታ ንኽግበረሎም ከም እትጽዕር ተረድእ። ምስ ክሊማዊ ለውጢ ብዝተሓሓዝ፡ ዓለምና ምጥፋእ ስነሂወታዊ ብዙሕነት ከም ዘስግኣ’ውን ኣዘኻኺራ። “ኣብ ሃገርና ምስ እንርኢ፡ ሓረስታይ ወትሩ ክሓርስ’ዩ ዝደሊ፤ ጽግዕተኛ ክኸውን ዝደሊ ክፋል ሕብረተሰብ ኣይኮነን፤ ግን ክሊማዊ ለውጢ ጸገም የምጽእ ኣሎ። እዚ፡ ኣቐዲምካ ምትንባይ ስለ ዝዀነ፡ ሓንጸጽቲ ፖሊሲ ተመራመርቲ ዘቕርቡዎ መረዳእታ ተጠቒሞም ነቲ ሓረስታይ ኣቐዲሞም ከዳልውዎ ይግባእ” ትብል። እቲ ጸገም፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብሰንኪ ምኽባር ዋጋታት ሃለኽቲ መግብታትን ካልእን ኣብ ከተማታት ጸገማት ውሕስና መግቢ ይርአ እዩ። እዚ እቲ ሓረስታይ መጀመርታ ንባዕሉ ክቕልብ ስለ ዘለዎ እዩ። እዚ፡ ሰባት ተኽሊ ብብዝሒ ናይ ምትካልን ምሕብሓብን ልምዲ ከዕብዩ፣ ከባቢኦም ብምስትብሃል ንክሊማዊ ለውጢ ኣስተዋጽኦ ዝገብሩ ነገራት ክንክዩን ዝገብሮም መንቅሒ ደወል ምህላው ዘመልክት ምዃኑ ተገንዝብ። “ክሊማዊ ለውጢ ምህላው ክንኣምን ኣለና፤ ብዘይ ተኽሊ ከኣ ክንነብር ኣይንኽእልን። ስለዚ ጥንቁቕ ስርዓተ ኣነባብራ እንተዘይተኸቲልና ናብ መጥፊኢና ኢና ንጐዪ ዘለና። ምኽንያቱ ክሊማዊ ለውጢ እናበኣሰ እዩ ዝኸይድ። ብዙሕ ኣጥፊእና ኢና፤ ድሕሪ ሕጂ ክንቍጠብ፣ መዓልታዊ ኣብ ገዛና እንሰርሖ፡ እነፍስሶ ማይ፡ ኣጠቓቕማ ኤሌክትሪክ፡ ጓሓፍ እነወግደሉ ስርዓት ከሉ ከነስተብህለሉ ኣለና፡” ኢላ። ሓጋዚት ፕሮፌሰር መሰረት ተሰማ፡ ንዝቕጽሉ ሰለስተ ዓመታት ሎሬት ዋን ፕላኔት ፌለውሺፕ ኰይና፡ ንኣሽቱ ሓረስቶት ኣፍሪቃ፣ ከምኡ’ውን ክሊማዊ ለውጢ ክጻወር ዝኽእል ምርምራት ሕርሻ ኣብ ዘተኵሩ ፕሮጀክታት ምህዞ ክትነጥፍ እያ።","category":"CATEGORY_FOUR","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ced28718dp4o"} {"headline":"ንዅለን ኣሃዱታት ደቀንስትዮ ዳዕሽ ከም ዘሰልጠነት ዝተኣመነት ኣመሪካዊት","content":"ሓንቲ ኣመሪካዊት፡ ኵለን ኣሃዱታት ደቀንስትዮ እስላማዊ ጕጅለ ዕጡቕ ዳዕሽ [ኣይኤስ] ትመርሐን ከም ዝነበረትን፡ ኣብ ውዲታት ንመጥቃዕቲ ኣመሪካ ከም ዝተሳተፈትን ተኣሚና። ኣሊሰን ፍሉክ-ኢክረን ነቲ ኣብ ሶርያ ዝንቀሳቐስ ጕጅለ ብምሕጋዝ ገበነኛ ክትበሃል እንከላ፡ ኣብ ናዕቢ ዝሳተፋ ልዕሊ 100 ደቀንስትዮን ኣዋልድን ከም ዘሰልጠነት ተዛሪባ። እዛ መምህርን ኣደን ዝነበረት ውልቀሰብ፡ ብ2011 ካብ ኣመሪካ ወጺኣ ናብ ሶርያ ቅድሚ ምኻዳ፡ ምስቲ ኣሸባሪ ጕጅለ ትሰርሕ ከም ዝነበረት ተገሊጹ። ኣብቲ ብ25 ጥቅምቲ 2022 ዝወሃብ ውሳነ ቤት ፍርዲ፡ ብውሑድ ማእሰርቲ 20 ዓመት ክፍረዳ ከም ዝኽእል ይግለጽ። ጓል 42 ዓመት ፍሉክ-ኢክረን ተማሃሪት ስነ-ህይወትን መምህርን ዝነበረት ኰይና፡ ኣብ ግብጽን ቱርክን ክትነብር ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ሶርያ ብምኻድ ናብ ኣይኤስ ተጸንቢራ። ምስቲ ጕጅለ እናሃለወት፡ ካቲባ-ኑሳይባህ ዝተባህለት ኣብ ራቓ ዝዓስከረት ቦጦሎኒ ደቀንስትዮ ትመርሕ ነይራ። ኣብቲ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ቨርጂኒያ ዝተጋብአ ቤት ፍርዲ፡ ንዅለን ኣሃዱታት ደቀንስትዮ ከም ዘሰልጠነት ክትኣምን እንከላ፡ ህጻናት ግን ከም ዘይመልመለት ተኻቲዓ። “ኰነ ኢልና ቈልዑ ደቀንስትዮ ኣይነሰልጥንን” ከም ዝበለት ሲኤንኤን ጸብጺቡ። ገለ ካብተን ዘሰልጠነተን ደቀንስትዮ ኣብቲ ፍርዲ ዝወሃበሉ መዓልቲ ቃለ-ምስክርነት ክህባ እየን። ፍሉክ-ኢክረን፡ ‘ኡም መሓመድ ኣል-ማሪኪ’ ብዝብል ሽም ክትጽዋዕ ዝጸንሐት ኰይና፡ ዒራቓዊት ከተማ ሞሱል ብጕጅለ ዳዕሽ - ኣይኤስ ምስ ተታሓዘት ኣብኡ ትነብር ነይራ። ንሳ፡ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዩኒቨርሲቲን ማእከል ዕዳጋን ዝተፈጸሙ መጥቃዕታትን፣ ኣብ መሬት ኣመሪካ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ኣብ ዝግበሩ ውዲታት ከም ዝተሳተፈት’ውን ተኣሚና። ሓደ ምስክር ዓይኒ “ዝዀነ ብዙሕ ሰብ ዘይቀተለ መጥቃዕቲ ዳርጋ ከም ክሳራ እያ ትርእዮ” ክብል ተዛሪቡ። ካልኣይ በዓል ቤት ፍሉክ-ኢክረን ድማ፡ ኣባል 'ቲ ብ2012 ኣብ ሊብያ ቤንጋዚ ኣብ ዝነበረ መዓስከር ኣመሪካ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ዕጡቕ ጕጅለ ኣንሳር ኣ'ሸሪዓ ከም ዝነበረ ሰነዳት ቤት ፍርዲ የመልክቱ። ንሳን ድሒሩ ብመጥቃዕቲ ኣየር ዝተቐትለ በዓል ቤታን፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ካብ ቤንጋዚ ዝተወስዱ ሰነዳት ኣመሪካ ዝምልከት ጸብጻባት ነቲ ጕጅለ ኣቕሪቦም’ዮም። ኣብቲ ቤት ፍርዲ፡ ብዙሓት ቈልዑ ስለ ዘለውዋ ይግባይ ክትሓትት እንተዀይና ሕቶ ክቐርበላ እንከሎ በኽያ። ኣቐዲሙ፡ ስድራቤታ ክረኽቡዋ ከም ዘይደልዩ ገሊጾም ነይሮም።","category":"CATEGORY_FOUR","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cz4w7r9x3lgo"} {"headline":"ኣባል ኣይሲስ ነበር ሊዛ ስሚዝ ማእሰርቲ ተበይኑላ","content":"ንኣርባዕተ ዓመታት ኣባል እቲ ኣይሲስ ብዝብል ቅጽል ዝጽዋዕ፡ እስላማዊ መንግስቲ ንክምስርት ዝቃለስ ዝነበረ ኣሸባሪ ጉጅለ ዝነበረት ሊዛ ስሚዝ ማእሰርቲ 15 ኣዋርሕ ተበይኑላ። ሊዝ ስሚዝ ካብ 28 ሕዳር ክሳብ 01 ታሕሳስ 2019 ኣባል ኣይሲስ ከም ዘይነበረት ብጠበቓኣ ሞጒታ። እቲ ኣብ ደብሊን ኣየርላንድ ዝርከብ ንገበናዊ ጉዳያት ዝርኢ ቤት ፍርዲ፡ ሚስ ሊዝ ኣብ 2015 ንግብረሽበራውያን ንምሕጋዝ 800 ዩሮ ልኢኻ ተባሂሉ ዝቐረበላ ክሲ፡ እቲ ገንዘብ ኣብ ጥቕሚ’ቲ ጉጅለ ከም ዝወዓለ መረጋገጺ ከም ዘይረኸበን ንግብረ-ሰናይ ወይ ሰብኣዊ ሓልዮት ናብ ሰባት ልኢኻቶ ክኸውን ከም ዝኽእል ብምግላጽ ነቲ ክሲ ነጺጉዎ። ሚስ ስሚዝ መራሒ ግብረ-ሽበራ ኣቡ ባክር ኣል-ባቕዳዲ  ኣስላም ናብ እስላማዊት ሃገር ክግዕዙ ምስ ጸውዐ እያ ናብ ሶርያ ብምኻድ ምስልምና ተቐቢላ። እቲ ኣኽባሪ ሕጊ፡ ሚስ ስሚዝ ነቲ ካብ መራሒ ግብረ ሽበራ ኣል-ባቕዳዲ ዝቐረበላ ጻውዒት ተቐቢላ ናይ ኣይሲስ  ናይ ፕሮፓጋንዳ መሳርሒት ብምዃናን ንእስላማዊት ሃገር ኣብ ምህናጽ  ክትሕግዝ ብምፍታናን ከምኡ እውን  ጸሊም ባንዴራ ኣይ.ኤስ ብምጥቃማን ገበነኛ እያ ክብል እዩ ከሲሱዋ። ብተወሳኺ እቲ ኣኽባሪ ሕጊ፡ እቲ ቤት-ፍርዲ፡ ሚስ ስሚዝ ኣሽሓት ኪሎሜተራት ተጓዒዛ ፡ ንጥፈታት ናይቲ “ክሳብ ክሳዱ ብደም ዝጨቀወ” ግብረ-ሽበራዊ ጉጅለ ክትፈልጥ ምኻዳ  ዕሽሽ ክበሃል ኣይግባእን እዩ ክብል ሞጒቱ። ኣስዒቡ እውን እቲ ክትጽንበሮ ዝፈተነት ኣሸባሪ ጉጅለ እምበር እስላማዊት ሃገር እትበሃል የላን ኢሉ። ጠበቓታታ ሚስ ሊዝ፡ ኣባል እቲ ጕጅለ ምዃና ዘረጋግጽ ዝኾነ መርትዖ ከም ዘየለ ብምግላጽ፡ ኣኽባሪ ሕጊ ሚስ ሊዝ ኣባል እቲ ጉጅለ ንኽትከውን ድላይ ከም ዝነበራ ኮነ ጉጅለ ኣይሲስ እውን  ከም ዝተቐበላ ከረድእ ኣይከኣለን ክብሉ ሞጒቶም። ናብ እስላማዊት ሃገር ብምኻዳ ጥራሕ ኣባል እቲ ጉጀለ እያ ከብል ዝኽእል ኣይኰነን ኢሎም። ብተወሳኺ፡ ጠበቓኣ ብሕጊ ኣየርላንድ ሓደ ሰብ ገበን ይፍጽም ከም ዘሎ ከይፈለጠ ንዝገብሮ በደል ገበነኛ’ዩ  ከብሎ ከም ዘይክእል ገሊጹ። ንሳ ናብ ሶርያ ዝኸደት ሓዳር መስሪታ እምንቲ በዓልቲ ቤት ንኽትከውን ጥራሕ እዩ ነይሩ ኢሉ።","category":"CATEGORY_FOUR","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cy98p9gwd1go"} {"headline":"ለተሰንበት ግደይ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ተዓዋቲት 10 ሽሕ ሜትሮ ኰይና","content":"ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ፡ ኣብ ኣመሪካ ኦሪገን ኣብ ዝተኻየደ መበል 18 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም፡ ኣብ ናይ 10 ሽሕ ሜትሮ ውድድር ሜዳልያ ወርቂ ብምዕዋት ሻምፒዮና ዓለም ኰይና። ነዚ ስዒቡ ድማ: ኢትዮጵያ ኣብቲ ውድድር ናይ መጀመርታ ሜዳልያ ወርቂ ረኺባ። ኣትሌት ለተሰንበት፡ ብ10 ሽሕን 5 ሽሕን ሜትሮ ከምኡ’ውን ፍርቂ ማራቶን ወናኒት ሰለስተ ክብረወሰናት ዓለም ኰይና፡ ኣብቲ ናይ ትማሊ ውድድር ድማ ፈላማይ ዓለምለኻዊ ዝለዓለ መዓርግ ክትረክብ ክኢላ ኣላ። ጓል 24 ዓመት ለተሰንበት፡ ነዚ ውድድር ብ30፡09፡94 ክትዕወተሉ በቒዓ። ኣብ መወዳእታ ሰዓታት ምስ ኬንያዊያን ኣትሌታት ሄለን ኦቢሪን ቼሊሞ ኪፕኬምቦይን [ክልቲአን ሜዳልያ ብሩርን ነሓስን ተዓዊተን] ኣብ ዝነበረ ሓያል ንሕንሕ፡ ነቲ ውድድር ንምዝዛም ትጽቢት ዘይተገብሮ ኣፈጻጽማ ኣርእያ’ያ። ኣብቲ ውድድር ትጽቢት ካብ ሞንጐ ዝተገብረለን ኣትሌታት ሓንቲ ዝዀነት ሻምፒዮና ኦሎምፒክ ሲፋን ሓሰን፡ ራብዐይቲ ኰይና ውድድራ ክትዛዝም እንከላ፡ ኤርትራዊት ራሄል ዳኒኤል ሓምሸይቲ ወጺኣ። ካልኦት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት እጅጋየሁ ታየ ሻድሻይቲ፣ ቦስና ሙላቴ ሻምነይቲ ኰይነን ውድድረን ዛዚመን። ኣብ ሞንጐ እተን ኣትሌታት ሓያል ንሕንሕ ክርኣይ እንከሎ፡ ኣትሌት ለተሰንበት ንመወዳድርታ ኬንያውያን ኣትሌታትን ኔዘርላንዳዊት ሲፋን ሓሰንን ገጻ ንድሕሪት እናመለሰት ትርእየን ነይራ። ንሳ፡ ድሕሪ እቲ ውድድር ኣብ ዝሃበቶ ርኢይቶ “እዚ ዓብዪ ዕላማይ’ዩ ነይሩ። ሕልመይ ተጋሂዱ፤ ኣዝየ ሕጉስቲ’የ” ኢላ። ኣብዚ ውድድር ሜዳልያ ወርቂ ምርካብ ካብ 2019 ጀሚሩ ትሓስቦን ትዳለወሉን ከም ዝነበረት’ውን ገሊጻ። “ሕዚ ቀጻሊ ሕልመይ ኣብ 5 ሽሕ ሜትሮ ሜዳልያ ወርቂ ምውሳድ’ዩ” ከም ዝበለት ራነርስ ወርልድ ጸብጺቡ። ለተሰንበት፡ ብ2019 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ፡ \"ሻምፒዮና ኦሎምፒክ ዓለም ቀዳመይቲ ብምውጻእ፡ ብተደጋጋሚ ብምዕዋት ሪከርዳት ከመሓይሽ፣ ሃገረይ ከጸውዕ'የ ዝደሊ። ኣብ ሞንጎ ዘጓንፉ ማሕለኻታት እኳ እንተሃለው። ንቐጻሊ፡ ጽቡቕ ነገራት ክሰርሕ፡ ንማሕበረሰብ ዝሕግዙ ምግባራት ሰናይ ክህልወኒ'ዩ ኢለ ይኣምን\" ኢላ ነይራ።","category":"CATEGORY_FOUR","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw4xy0my1xdo"} {"headline":"ፈላመይቲ በዓልቲ ቤት ትራምፕ ኢቫና ዓሪፋ","content":"ፈላመይቲ በዓልቲ ቤት ዶናልድ ትራምፕን ኣደ ሰለስተ ደቁን ኢቫና ትራምፕ ኣብ መበል 73 ዓመታ ዓሪፋ። ትራምፕ፡ ኣብቲ ናይ ባዕሉ ዝዀነ ማሕበራዊ ሚዲያ “ዓብዪን ዘተባብዕን ህይወት ዝመርሐት ብጣዕሚ ጽብቕቲ፣ እትንኣድን ኣገራሚትን ጓል ኣንስተይቲ ነይራ” ክብል ጽሒፉ። ኢቫና፡ ኣብታ ሕጂ ቼክ ሪፐብሊክ ተባሂላ እትጽዋዕ ሃገር ክትውለድ ኮይና፡ ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 1977 ሓዳር መስሪቶም። እንተዀነ፡ ድሕሪ 15 ዓመታት ብ1992 ዓ.ም ተፋቲሖም። ኣብ ናይ ሓዳር ዘመኖም፡ ንዶናልድ ጁኒየር፣ ኢቫንካን ኤሪክን ኣፍርዮም'ዮም። ኣሶሽየትድ ፕረስ ከም ዝጸብጸቦ፡ ፖሊስ ምኽንያት ሞት ኢቫና ሃንደበታዊ ክኸውን ይኽእል’ዩ ኢሎም ይኣምኑ። ኢቫና፡ ኣብ መደያይቦ መንበሪ ገዝኣ ውኒኣ ኣጥፊኣ ክትርከብ እንከላ፡ ምናልባት ወዲቓ ክትከውን ትኽእል ኢሎም ከም ዝግምቱ ምንጪታት እቲ ማዕከን ዜና ይገልጹ። ዶናልድን ኢቫናን፡ ኣብ 1980ታትን 1990ታትን ኣብ ኣመሪካ ኣዝዮም ጸለውቲ ሰባት እዮም ነይሮም። ከም ውጽኢቱ፡ ጉዳይ ፍትሕ ሓዳሮም ንብዙሓት ኣዘራሪቡ። ምስ ተፈላለዩ፡ ኢቫና ናይ ባዕላ ንግዲ ምህርታት መመላኽዒ፣ ክዳውንትን መጋየጺታትን ጀሚራ። ኣብቲ ብ2017 ዝጽሓፈቶ ንጉዕዞ ህይወታ ዘዘንቱ መጽሓፍ ‘Raising Trump’፡ ደቃ ክሳብ ኮሌጅ ዝኣትው “ብዛዕባ ትምህርቶም፣ መዓልታዊ ንጥፈታቲም፣ ጉዕዝኦምን” ካልእን ውሳነታት ብምሃብ ከም ዘዕበየቶም ገሊጻ’ያ። ብተወሳኺ፡ ድሕሪ ፍትሕ ሓዳራ ምስ ትራምፕ ዝነበሮም ርክብ ከም ዝተመሓየሸን፡ ብዛዕብኡ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ከም እተዕልልን ጠቒሳ። ትራምፕ ድሕሪ ሕልፈታ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኢቫንካ “ኣብ ቢዝነስ ጉልበት፣ ዓለምለኻዊት ኣትሌት፣ ጽብቕቲ፣ ሓላይት ኣደን መሓዛን” ነይራ ክብል ናእድኡ ገሊጹ። ጓላ ኢቫንካ፡ “ልበይ ተሰይሩ” ክትብል ኣብ ኢንስተግራም ጽሒፋ። “ኣደይ፡ በላሕ፣ ደስ ብሃሊ፣ ግድስትን ተዋዛይትን ነይራ። ኣብ ኩሉ ነገራት ጥንካረ፣ ጽንዓትን ቆራጽነትን ነይሩዋ። ህይወት ኣስተማቒራቶ እያ ሓሊፋ፤ ካብ ስሓቕን ተልሂትን ቦዂራ ኣይትፈልጥን” ኢላ። ኢቫና፡ ዜግነት ኣውስትራሊያ ንምርካብ ብዝብል ዝተመርዓወቶ ኣልፍረድ ዊንክማር ዝተባህለ ኣውትስራሊያዊ መምህርን መሓዛን ናይ መጀመርታ በዓል ቤታ ነይሩ። እዚ፡ ካብታ ኣብቲ ግዜ ቼኮስላቫኪያ ተባሂላ ትጽዋዕ ዝነበረት ብዴሳዊ ስርዓት እትመሓደር ሃገራ ክትወጽእ ሓጊዙዋ እዩ። ንነዊሕ ዓመታት፡ ተወዳዳሪት ምንሽርታት በረድ ዝነበት ኢቫና ኣብ ሃገራ ብልጽቲ ተወዳዳሪት ነይራ። ኣብ 1970ታት ኣብ ካናዳ ክትነብር እንከላ፡ ኣሰልጣኒትን ሞዴልን ኰይና ትሰርሕ ነይራ። ኣብ 1976 ድማ፡ ምስ ካልኦት ሞዴላት ብምዃን ንትራምፕ ረኺባቶ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ክኣ ተመርዒዮም። ድሕሪኡ፡ ኣብ ትካል ትራምፕ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታት ሒዛ ሓያሎ ንጥፈታት ተሰላስል ነይራ። ብ1992 ክፋትሑ እንከለው ግን፡ ክልቲኦም ብዛዕባ ሓዳሮም ንከይዛረቡ ውዕል ብምፍራም፡ 14 ሚልዮን ዶላርን ኣብ ኮነቲከት ዝርከብ ዓብዪ ኣዳርሽን ሒዛ ተፈላልዮም። ድሕሪኡ፡ ካብ 1995 ክሳብ 1997 ንኢጣልያዊ በዓልቲ ሃብቲ ሪካርዶ ማዙቼሊ ክትምርዖ እንከላ፡ ካብ 2008 ክሳብ 2009 ድማ ካልእ ኢጣልያዊ ተዋሳኢ ሮሳኖ ሩቢኮንዲ ተመርዒያ ነይራ።","category":"CATEGORY_FOUR","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2r2e7kev4o"} {"headline":"ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ ንምዃን ትህቅን ዘላ ጸላም ኣፍሪቃዊት","content":"ናይጀርያ ዝመበቈላ ከሚ ባደኖች መራሒት ሰልፊ ዓቃባውያን ንምዃን ጐስጓስ ምረጹኒ ጀሚራ'ላ። ከሚ ባደኖች ንቦሪስ ጆንሰን ንምትካእ ኣብ ዝግበር ዘሎ ሳልሳይ ዙርያ ውድድር፡ ምስ ቀዳሞት ኣርባዕተ ክትስራዕ ናይ ብዙሓት ትጽቢት ኣይነበረን። ጓል 42 ዓመት ከሚ ባደኖች ሚኒስተር ማዕርነት ዝነበረት እያ። ኣብ ዊምበልደን ደቡብ ለንደን ካብ ናይጀርያውያን ወለዲ ዝተወለደት ከሚ፡ ኣብቲ ኣደኣ ፕሮፌሰር ኰይና ትምህረሉ ዝነበረት ሃገራት ናይጀርያን ኣሜሪካን’ያ ዓብያ። ጓል 16 ዓመት ምስ ኰነት ናብ ብሪጣንያ ብምምላስ ኸኣ፡ ጐድኒ ጐድኒ ዝልዓለ ትምህርታ ኣብ ማክዶናልድ ትሰርሕ ነይራ። ካብ ዩኒቨርስቲ ሳሰክስ ብዓውዲ ኮምፒተር ሲስተም ብዲግሪ ምስ ተመረቐት ፡ ኣብ ሓደ ናይ ግሊ ባንኪ ምክትል ዳይረክተር ኰይና ክትሰርሕ ጀሚራ፣ ከይጸነሐት ዳይሬክተር መጽሄት ስፔክታተር ኰይና ከትዓዪ ጀሚራ። ጓል 25 ዓመት ኣብ ዝነበረትሉ ኣባል ሰልፊ ዓቃባውያን ብምዃን ዝተመዝገበት ከሚ ባደኖች፡ ብተደጋጋሚ ኣባል ባይቶ ንምዃን ድሕሪ ምውድዳር፡ ኣባል ባይቶ ለንደን ኰይና ክትምረጽ ክኢላ። ወሃቢት ቃል ሰልፊ ዓቃባውያን ኣብ ጉዳያት ቍጠባ ኰይና’ውን ሰሪሓ’ያ። ኣብዚ ትገብሮ ዘላ ጐስጓስ ካብ ብዙሓት ሰባት ደገፍ ትረክብ ኣላ። ኣብ 2017 ኣባል ባይቶ ክትከውን ዝኸኣለት ከሚ ባደኖች፡ ሚኒስተር ማዕርነት ኰይና ምስ ተመዘዘት፡ ኣብታ ዓሌታውነት ብብዝሒ ከም ዝርኣየላ እትግለጽ ዓባይ ብሪጣንያ ብዙሕ ነገራት ሰሪሓ ተባሂላ’ያ ትውደስ። ከሚ ባደኖች፡ ኣብ መኽፈቲ እቲ ተካይዶ ዘላ ጐስጓስ ኣብ ዘስምዓቶ መደረ፡ “ንሰብ ቀዳምነታት ሂብና ክንሰርሕ ኣለና” ብምባል “ኣብ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን ምዝባዕ ኢና እንርከብ” ኢላ። ንሳ፡ መንግስቲ ሰኣን ቀዳምነታት ምስራዕ ገንዘብ የባኽን ኣሎ ብምባል እያ ትገልጽ። “መንግስቲ፡ ኣብ ዕድጊ ዘህለኾ 300 ቢልዮን ፓውንድ ኣብ ማዕርነት፡ ብዙሕነትን ተተካኢ ጸዓትን ውዒሉ እንተዝኸውን፡ ኣርባሒ ምዀነ፡ እንተዀነ ከምኡ ክግበር ኣይተኸኣለን” ኢላ። ኣስዒባ፡ “ንምንታይ ኢና ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ደው ዝበሉ ስርሓት፡ ሚልዮናት ፓውንድ ነባኽነሎም?” ብምባል ትሓትት። “ኣብዛ ሃገር እየ ተወሊደ፡ ኣብዚ ግን ኣይዓበኹን፡ ናብዛ ሃገር ጓል 16 ዓመት ምስ ኰንኩ’የ መጺአ፡ ሕጂ ግን ቀዳመይቲ ሚኒስተር ንምዃን ይወዳደር ኣለኹ፡ እዚ ዝድነቕ ነገርዶ ኣይኮነን?” “ብርግጽ ዝድነቕ ነገር እዩ፡ ሰባት ነቲ ጸጽቡቑ ገዲፎም ንምንታይ’ዮም ኣብቲ ከክፉኡ ዘድህቡ ግርም’ዩ ዝብለኒ” ኸኣ ትብል።","category":"CATEGORY_FOUR","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c1d50p13l8eo"} {"headline":"ታንዛኒያ፡ 'ንኹሎም ደቂ ተባዕትዮ ፕሬዝደንታት በሊጸዮም'የ' - ፕሬዝደንት ሳሚያ","content":"ፕረዚደንት ታንዛኒያ ሳሚያ ሱሉሁ፡ ንመብዛሕትኦም ኣብያተ ጽሕፈት ሃገራ ልዕሊ እቶም ቅድሚኣ ዝነበሩ ደቂ ተባዕትዮ ፕረዚደንታት ብዝሓሸ መገዲ ከም ዝመርሓቶም ተዛሪባ። ጓል ኣንስተይቲ ብምዃና፡ ኣብ መጀመርታ ናብ ስልጣን ዝመጽኣትሎም መዓልታት እምነት ዘሕድረላ ስኢና ከም ዝነበት'ውን ገሊጻ። ድሕሪ ሞት ፕረዚደንት ነበር ጆን ማጉፉሊ ኣብ መጋቢት 2021 ናብ ስልጣን ዝመጽአት ሳሚያ፡ ኣብ ጋና ይካየድ ኣብ ዘሎ ዋዕላ ምዕራብ ኣፍሪቃ ንፈለማ እዋን ንኽትሳተፍ ናብ ኣክራ ኣቕኒዓ'ላ። \"ህዝቢ ታንዛኒያ ክኣምነኒ ምግባር ኣዝዩ ከቢድ ነይሩ፤ ልክዕ ከም ወዲ ተባዕታይ ሃገር ክመርሕ ከም ዝኽእል ምእማን ዓቢይ ፈተና ነይሩ\" ክትብል ተዛሪባ። ወሲኻ፡ \"ኣብ ቀዳማይ ሓደ ዓመት፡ ልክዕ ከም ሓደ ወዲ ተባዕታይ ክገብሮ ዝኽእል ብምስራሕ፣ ኣብ ገሊኡ ድማ ልዕሊ'ቲ ዝሰርሕዎ እናሰራሕኩ፡ ሓይሊ ጓለንስተይቲ ከርኢ ነይሩ፡ \" ኢላ። ሳሚያ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ እንኮ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት እያ። ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ጽምብላዊ ተራ ጥራይ እዩ ዘለዋ። ፕረዚደንት ሳሚያ፡ ኣብቲ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ዝወደቦ ዓመታዊ ዋዕላ፡ ቁጠባዊ ዕብየት እታ ሃገራ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ካብ 6.5 ሚእታዊት ናብ 4 ሚእታዊት ከም ዝወረደ ገሊጻ። ኣብ ግዜ መሪሕነታ ግን፡ ናብ 5.2 ሚእታዊት ከም ዝዓበየን፡ ኣብ 2025 6.7 ሚእታዊት ክበጽሕ'ዩ ተባሂሉ ከም ዝግመትን ሓቢራ። ሳሚያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ተዓዋቲት 'ሃነጽቲ መገዲ ኣፍሪቃ' [Africa Road Builders-Babacar Ndiaye] ብዝብል ተሸላሚት ጽዋዕ ባባካር ንዳየ ኮይና እያ።","category":"CATEGORY_FOUR","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61561607"} {"headline":"ቻይና፡ ብሰንኪ ዋሕዲ ደቀንስትዮ ብዝሒ ህዝባ ይጐድል","content":"ብዝሒ ህዝቢ ቻይና፡ ድሕሪ እቲ ቅድሚ 60 ዓመታት ዘጋጠመ ከቢድ ዓጸቦ ንፈለማ እዋን ይንኪ ኣሎ። ስለ ምንታይ? እዚኸ ነቲ ዝተረፈ ክፋል ዓለም ብኸመይ ክጸልዎ ይኽእል? ኣብ ዓለም እታ ዝዓበየት ሃገር፡ ብዝሒ ህዝባ የንቈልቁል ኣሎ። ቻይና፡ ልዕሊ 16 ሚእታዊት ብዝሒ ዓለም ትሕዝ። ኣብ ውሽጢ 40 ዓመት ብዝሒ ህዝቢ እዛ ሃገር ካብ 660 ሚሊዮን ናብ 1.4 ቢሊዮን እኳ እንተዓበየ፡ ኣብዚ ዓመት ንፈለማ እዋን ምጉዳል ኣርእዩ። ኣብ ቻይና፡ እቲ ዝዓበየ ዓጸቦ ተባሂሉ ዝፍለጥ ካብ 1959 ክሳብ 1961 [ኣ.ኤ] ተኸሲቱ ዝነበረ’ዩ። ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ቻይና ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ 2021፡ ብዝሒ ህዝባ ካብ 1.41212 ቢሊዮን ናብ 1.41260 ጥራይ እዩ ዓብዩ። እዚ፡ ናይ 480 ሽሕ ወሰኽ ጥራይ ዘርኣየ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ኣዝዩ ዝተሓተ ወሰኽ ብዝሒ ህዝቢ ኰይኑ’ዩ ተመዝጊቡ። ኣብታ ሃገር፡ ቈልዓ ንምውላድ ዘሎ እብያን እገዳታት ኮሮናቫይረስን ነቲ ንዓመታት ምጉዳል እናርኣየ ዝመጽአ ምንካይ ወሊድ ጽልዋ ኣሕዲሮም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት። ብ1980ታት፡ መጠን ወሊድ ቻይና [ካብ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ] 2.6 ነይሩ፤ መጠን ሞት ድማ 2.1። ካብ 1994 ንደሓር ግን፡ ካብ 1.6 ክሳብ 1.7 ኰይኑ ጸኒሑ፤ ኣብ 2021 ግን ናብ 1.15 ወሪዱ። እዚ ኣብ ኣውስትራሊያን ኣሜሪካን 1.6 ኰይኑ፡ ኣብ ጃፓን 1.3 ኣሎ። ደቂ ኣንስትዮ ቻይና ቈልዓ ንምውላድ ዝኣብያሉ ዘለዋ ምኽንያት ዝምልከት ዝተፈላለየ ግምታት ይወሃቦ'ዩ። እቲ ሓደ ምኽንያት ክኸውን ዝኽእል፡ እቲ ህዝቢ ውሑድ ቁጽሪ ዘለዎ ስድራቤት ተላሚዱ ምጽንሑ’ዩ። ምኽባር ዋጋታት፡ ንገሊኦም ቈልዓ ንዘይምውላድ ምኽንያት ክዀኖም እንከሎ፣ ወሊድ ክደናጐን ድሕሪ ግዜ ድማ እቲ ድልየት ክቕህም ዝገብር ጉዳይ ዕድመ እዩ። ብተወሳኺ፡ ቻይና ውሑዳት ቈልዓ ክወልዳ ዝኽእላ ደቂ ኣንስትዮ እየን ዘለውኣ። ቻይና፡ ካብ 1980ታት ጀሚሩ ፖሊሲ ሓደ ቘልዓ ክትክተል ብምጽንሓ፡ ብዙሓት መጻምዲ ወዲ ክወልዱ እዮም ዝመርጹ ነይሮም። እዚ ድማ፡ መጠን ብጽሒት ሓደስቲ ውሉዳት [ኣብ ካልእ ዓለም'ውን ዝርአ]100 ደቂ ተባዕትዮ፡ ን106 ደቂ ኣንስትዮ፣ ኣብዚ እዋን ናብ 120 ኣብ ገሊኡ ዞባታት ድማ ናብ 130 ደቂ ተባዕትዮ ን100 ደቀንስትዮ ዓብዩ። ቻይና፡ ድሕሪ ዓጸቦ ብዝተኸተለቶ ፖሊሲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝሒ ህዝባ ካብ ሓደ ሽሕ ሰባት ብ0.34 ጥራይ እዩ ዓብዩ። ጉጅለ ማሕበራዊ ሳይንስ ኣካዳሚ ሻንጋይ፡ ድሕሪ 2021 ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ብማእከላይ ገምጋም ብ1.1 ሚእታዊት ክጐድል ምዃኑ ክገልጽ እንከሎ፡ እዚ ኣብ 2100 ጠቕላላ በዝሒ ህዝቢ ናብ 587 ሚሊዮን ከውርዶ ከም ዝኽእል ይእምት። ናይዚ ምኽንያት፡ ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ ግዜ መጠን ወሊድ ካብ 1.15 ናብ 1.1 ክወርድ ምዃኑን እዚ ድማ ክሳብ 2100 ዝቕጽል ከም ዝዀነን እዩ። እዚ ቕልጡፍ ምጉዳል ብዝሒ ህዝቢ ክኣ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ዓቢይ ጽልዋ ከሕድር እዩ። እቲ፡ ኣብ 2014 ወሰኽ ኣርእዩ ዝነበረ ብዝሒ ኣፍራዪ ሓይሊ ሰብ ኣብ 2100 ብትሕቲ 13 ሚእታዊት ክንኪ ምዃኑ ምሁራት ይእምቱ። ኣብታ ሃገር፡ ዕድሚኦም ልዕሊ 65 ዓመት ዝዀኑ ሰባት ንዝነውሐ ግዜ ክውስኽ እዩ ዝብል ግምት’ውን ኣሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ነፍሲ ወከፍ ን20 ኣረጋውያን ክሕግዝ ዝኽእል 100 ኣፍራዪ ሓይሊ ኣሎ፤ ኣብ 2100 ግን 100 ክሰርሕ ዝኽእል ሓይሊ ሰብ ን120 ኣረጋውያን ቻይና ዝጥውር ክኸውን እዩ። እዚ ሓይሊ ሰብ ዓመታዊ፡ ብገምግማ 1.73 ሚእታዊት ምጕዳል ዘርኢ ዘሎ ኰይኑ፡ ኣፍራይነት ብቕልጡፍ ክዓቢ እንተዘይክኢሉ ትሑት ቁጠባዊ ዕብየት ክርአ ምኽንያት ክኸውን እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ዋጋ ሰራሕተኛታት ፋብሪካታት ክልተ ዕጽፊ ካብ ኣብ ቬትናም ዘሎ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ቻይና ነቲ ዝውስኽ ዘሎ ቑጽሪ ኣረጋውያን ተበጻሒ ንምግባር እቲ ዝበዝሕ መፍረያይ ሓይላ ናብ ጥዕናን ኣገልግሎት ኣረጋውያንን ከተውዕሎ ክትግደድ እያ።","category":"CATEGORY_FOUR","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cl5d51j4gdqo"} {"headline":"ኣሜሪካ፡ ንፈለማ እዋን ጸላም ኣፈኛ ቤተመንግስቲ ሸይማ","content":"ካሪን ጃን-ፒረ፡ ፈላሚት ጸላም ጓልኣንስተይቲ ኣፈኛ ቤተመንግስቲ ኣሜሪካ -ዋይትሃውስ - ኮይና ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ተመዚዛ። ጓል 44 ዓመት ጸላም ኣሜሪካዊትን፡ ብቕሉዕ ሶዶመኛ ምዃና እንትገልጽን ካሪን ጃን-ፒረ፡ ኣፈኛ ቤተመንግስቲ ኣሜሪካ ኮይና ተሸይማ። ንሳ፡ ነዚ ሓላፍነት ዝተሸመት ንጓል 43 ዓመት ጄን ሳኪ ብምትካእ ኰይኑ፡ ካብ ዝቕጽል ሰሙን ጀሚራ ኣብ ዋይት ሃውስ ንዝዕደሙ ጋዜጠኛታት መግለጺታት እትህብ ክትከውን'ያ። ኣብቲ ሓላፍነት ዝጸንሐት ሳኪ፡ \"ብስነምግባር ዝተሃነጸት ብልጽቲ ጓልኣንስተይቲ\" ክትብል ንካሪን ንኢዳታ'ላ። ወሲኻ ድማ፡ \"ናይ ገዛእ ርእሳ ሜላ ኣሰራርሓ ኣለዋ። ብሉጽን ዕዙዝን ብቕዓታ ከምእተርኢ ኣይጠራጠርን\" ክትብል ብዛዕባኣ ተዛሪባ። ኣፈኛ ዋይት ሃውስ፡ ንማዕከናት ዜና'ታ ሃገር ዓለምን መግለፂታት ናይ ምሃብ ሓላፍነት ከምዘለዎ ይፍለጥ። ፖለቲካዊ ቅልውላው ኮነ ሃገራዊ ሓደጋ ኣብ ዘጋጥም ከኣ ኣቐዲሞም ብሜድያ ካብ ዝቕልቀሉ ሹመኛታት መንግስቲ፡ እቲ ሓደ፡ ኣፈኛ እዩ። ምምሕዳር ባይደን፡ ነተን ክሳብ ሎሚ ካብ ፖለቲካዊ መድረኽ 'ታ ሃገር ንድሕሪት ተደፊአን ዝፀንሓ ጸለምቲ ተሳተፍቲ ክኾና ኣብ ምግባር ይርከብ። ምኽትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ፣ ሓላፊት ቤት ምኽሪ ሱዛን ራይስን ኣምባሳደር ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድን ካብ መንጐ እተን ናብ መዝነት ዝመፅኣ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ይጥቀሳ። እታ ሎሚ ኣፈኛ ዋይትስ ሃውስ ኮይና ዝተሸመት ካሪን ጃን-ፒረ ኣብ መደብር ቴሌቪዥን 'ኤምኤስኤንቢሲ' [MSNBC] ተንታኒት ብምዃን ዝሰርሐት እያ። ኣብ ፖለቲካ፡ ሰልፊ ዲሞክራት ድማ ናይ ኣስታት 20 ዓመታት ተሞኵሮ ከምዘለዋ ይግለፅ። ኣብ ደሴት ማርቲኒኪዩ - ፍሬንች ካሪቢያን - ዝተወለደት ኮይና ኣብ ኒውዮርክ - ኣሜሪካ ኸኣ ዓብያ። ኣብ እዋን ምምሕዳር ኦባማ፡ ወሳኒት ፖለቲካዊ ዳይሬክተር ነይራ።ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ 2016፡ ኣፈኛ ናይቲ ብ 'ሙቭ-ኦን' ዝፍለጥ ቀንዲ ሊበራላዊ ጕጅለ ጥብቅና ነይራ። ናብ ጕጅለ ፕረስ ዋይት ሃውስ ቅድሚ ምጽንባራ ድማ፡ ካማላ ሃሪስ ከም ምኽትል ፕረዚደንት ድሕሪ ምምራጻ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈታ ከም ጠቕላሊት ስታፍ ኰይና ሰሪሓ።እዚ ቅድሚ'ቲ ኣብ ዝመጽእ ሕዳር ዝካየድ ወሳኒ ምርጫ 'ፍርቂ-እብረ' ዝተዋህበ መዝነት ጃን-ፒረ፡ ዝተረፈ ግዜ ፕረዚደንትነት ጆ ባይደን ከመይ ከም ዝመስል ዘመላኽት ምዃኑ ይግምገም።","category":"CATEGORY_FOUR","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61345149"} {"headline":"ላዕለዋይ ባይቶ ኣመሪካ ንመዝነት ኤርትራዊት-ኣመሪካዊት ፕሮፌሰር ኣስመረት በርሀ ኣጽዲቑ","content":"ላዕለዋይ ባይቶ ኣመሪካ (ሰነት) ንመዝነት ናይታ ሓላፊት ሳይንስ ኣመሪካ ክትከውን ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ዝተሓረየት ኤርትራዊት ተመራማሪት ፕሮፌሰር ኣስመረት ኣሰፋው በርሀ ኣጽዲቑ። ፕሮፌሰር ኣስመረት፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ፡ መምህር ስነሓመድ (ሶይል ባዮጂኦኬሚስትሪ) ኮይና፡ ዝተፈላለየ ሓላፍነታት ዝተዋህባ ፍልጥቲ ጓል-ኣንስተይቲ ተመራማሪት እያ። \"ኣብ ክፍሊ ጸዓት ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ሳይንስ ኮይነ ብፕረዚደንት ባይደን ምምዛዘይን፡ ሕጂ ድማ ብሰነት ኣመሪካ ምጽዳቑን ንዓይ ዓቢ ክብሪ'ዩ\" ክትብል ኣብ ትዊተር ዝተሰምዓ ሓጎስ ገሊጻ'ላ። \"ንፕረዚደንትን ጸሓፊት ጸዓት ጀኒፈር ግራንሆልምን፡ ንዝቕጽል ዕዉት ምዕራፍ ቤት ጽሕፈት ሳይንስ ንክመርሕ ኣባይ እምነት ብምንባሮም አመስግኖም\" ትብል ፕሮፌሰር ኣስመረት። ምጽዳቕ መዝነታ፡ ሓንቲ ካብቶም ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ መንግስቲ ኣመሪካ ክሰርሑ ዝበቕዑ ኤርትራውያን ክትከውን ገይሩዋ ኣሎ። ኣስመረት፡ ኣብ ሚያዝያ 2021 እያ ኣብ ሚኒስትሪ ጸዓት ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ስነ ፍልጠት (ሳይንስ) ክትከውን ብፕረዚደንት ባይደን ተመዚዛ። ፕረዚደንት ባይደን፡ ብፍላይ ንጸለምቲ ደቂ-ኣንስትዮ ኣመሪካ፡ ላዕለዋይ መዝነት ንምሃብ ብዝኣተዎ መብጽዓ መሰረት ሓያሎ መዝነት ሂቡ'ሎ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ጥራይ፡ ጸሓፊት ፕረስ ቤት ጽሕፈቱ ንፈለማ እዋን ጸላም ጓል-ኣንስተይቲ ክትከውን ሸይሙ'ዩ። ኣቐዲሙ'ውን፡ ንፈለማ እዋን ጸላም ጓል-ኣንስተይቲ ዳኛ ላዕለዋይ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ክትከውን ንኬታንጂ ብራውን ጃክሰን ምሻሙ ይዝከር። ምክትል ፕረዚደንት፡ ካማላ ሃሪስን፡ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ-ግሪንፊል'ውን ካብተን ኣብ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ጥርዚ ላዕለዋይ ሓላፍነት ዝርከባ ጸለምቲ ደቂ-ኣንስትዮ ኣመሪካ እየን። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ፡ መምህር ስነሓመድን ምድርን (ሶይል ባዮጂኦኬሚስትሪ) ዝኾነት ፍልጥቲ ጓል-ኣንስተይቲ ተመራማሪት እያ። ኣባላት ሰነት ንመዝነት ፕሮፌሰር ኣስመረት ንምጽዳቕ ኣብ ዝሃብዎ ድምጺ፡ 54 ድሕሪ ምድጋፎም'ያ መዝነታ ተረኪባ ዘላ። እቲ መዝነት ነቲ ክትሰርሓሉ ዝጸንሐት ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ ከይተረፈ ከምዘሐጎሶ ሰብመዚ ናይቲ ትካል ተዛሪቦም። ምክትል ቻንስለተር ጉዳያት መጽናዕቲ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ፡ ማረጆሪ ዛትዝ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ \"ፕሮፌሰር [ኣስመረት] በርሀ፡ ከም ተመራማሪት ኣዝያ ልዑል ክብረት ዘለዋን፡ ብሃገርን ዓለምለኻዊ ደረጃን ብብጾታ ከም ናይ ሓሳባት መራሒት እትውሰድን እያ\" ኢላ። ዲን ናይቲ ንሳ ዝነበረቶ ኮለጅ፡ መርሰድ (Merced) ፕሮፌሰር በትሲ ዱሞንት ብወገና \"ፕሮፌሰር በርሀ፡ ኣብ ጉዳያት ኣከባብያዊ ሳይንስን ምርምር ክሊማዊ ለውጥን ዓለምለኻዊ መሪሕነት ትህብ ዘላ'ያ\" ክትብል ብምግላጽ፡ \"ብዝተዋህባ መዝነትን ከምኡ'ውን ብዛዕባ ንጉዳያት ጸዓትን ክሊማን ንምፍታሕ ብሃገር ደረጃ ዝህልዋ ጽልዋን ኣዚና ተሓጒስና ኣለና\" ኢላ። እቲ ክትገብሮ ዝጸንሐት ምርምራት ስነምድሪ፡ ብዛዕባ ፍግረ-መሬት፡ ባርዕን፡ ሳዕቤናት ክሊማዊ ለውጥን ዘጠቓለለ ምዃኑ፡ እቲ ብቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት (ዋይት ሃውስ) ብዛዕባ ድሕረ ባይታኣ ዘውጽኦ ጽሑፍ የረድእ። ኣስመረት፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየት ኮይና፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ናይ መጀመርታ ማዕርግ ትምህርታ ብስነ ሓመድን ዕቃበ ማይን ወዲኣ። ብድሕሪኡ፡ ናብ ኣመሪካዊ ዩኒቨርሲቲ ሚሺጋን ብምኻድ ብ'ፖለቲካል ኢኮሎጂ' (ፖለቲካ ማሕድሮ) ብማስተርስ ተመሪቓ። ቀጺላ ድማ፡ ካብቲ ኣብ በርክለይ ዝርከብ፡ ክፋል ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ፡ ብ'ባዮጂኦኬሚስትሪ' ማዕርግ ዶክትሬት (ፒ-ኤች-ዲ) ተቐቢላ። ኣብ 2020፡ ብዘካየደቶ ዕዉት ምርምራት፡ ብሓደ 'ካርነጅ ኮርፖሬሽን ኒውዮርክ' ዝተባህለ ፍሉጥ ትካል \"ዕዉትቲ ስደተኛ፡ ክብርቲ ኣመሪካዊት\" ዝብል ሽልማት ተዋሂባ። \"ኣብ ክፍሊ ጸዓት ዳይረክትር ቤት ጽሕፈት ሳይንስ ክኸውን ምርቁሐይ ክብሪ ይስምዓኒ\" ክትብል ኣብ ትዊተር ጽሒፋ ነይራ። ፕሮፌሰር ኣስመረት፡ ምስ ካልኦት 11 ውልቀሰባት'ያ፡ ነቲ ምምሕዳር ባይደን ኣንቂልዎ ዘሎ፡ ምህናጽ \"ዘመናዊ ትሕተ-ቅርጽን፡ መጻኢ ጽሩይ ጸዓትን\" ንምዕዋት እያ ተመዚዛ ዘላ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ንክሊማዊ ለውጢ ንምግታእ ብዘለዎ ቆራጽነት ኣብታ ሃገር ተሓዳሲ ጸዓት ንምፍጣር ዝተፈላለየ ስጉምትታት ይወስድ ምህላዉ ይፍለጥ። ባይደን፡ ነታ ብፕረደዚንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብ ስምምዕ ክሊማ ፓሪስ ወጺኣ ዝነበረት ኣመሪካ፡ ናብቲ ውዕል ከምትምለስ ምግባሩ'ውን ይዝከር።","category":"CATEGORY_FOUR","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61416626"} {"headline":"ሓደ ሚኒሰትር ካብ ረድኤት ዘቕርባ ትካላት ጉቦ ተቐቢልካ ተባሂሉ ተኸሲሱ","content":"ሚኒሰትር ማሕበራዊ ጉዳያት ኢንዶንዥያ፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ቁጠባዊ ሃስያ ንዝወረዶም ዜጋታት እታ ሃገር ረዲኤት ካብ ዘቐርባ ትካላት ጉቦ ተቐቢልካ ዝብል ክሲ ቀሪብዎ። ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ኢንዶንዥያ ጁሉያሩ ባቱባራ ካብተን ንረዲኤት ቀረባት ዘቕርባ ዝነበራ ትካላት ጉቦ ተቐቢልካ ዝብል ክሲ’ዩ ቀሪቡሉ ዘሎ። ናይ ኢንዶንዥያ ኮምሽን ጸረ ብልሽውና ኣብ መንበሪ ቤት ሚኒሰትር ጁሉያሩ ባቱባራ ብዝገበሮ ሃንደበታዊ ተፍትሽ 14.5 ቡልዮን ሩብያ (1 ሚልዮን ዶላር) ኣብ ሳምሶናይን ካልእ መኸዘኒ ገንዘብን ከምዝረኸበ እዩ ዝገልጽ። ምስዚ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ብቐዳም ኣብ ዝተገበረ ፍሉይ ስርሒት ኣርባዕተ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ፡ ሚኒሰትር ጁሉያሩ ባቱባራ’ውን ትማሊ ብገዛእ ፍቃዱ ንፖሊስ ኢዱ ሂቡ ኣሎ። ኮምሽን ጸረ ብልሸውና ኢንዲንዥያ ፈርሊ ቡርሃ ኣብ ዝሃቦ መግልጺ፡ “እቲ ገንዘብ ኣብ ውሽጢ ሳምሶናይት እዩ ተኸዚኑ ነይሩ፡ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሰለስተ ዓቢ ቦርሳ ከምኡ’ውን ኣብ ፖስታ ዝተዓሸገ’ውን ረኺብና” ኢሉ። ወኪል ኣገልግሎት ዜና ኤኤፍፒ ረኺበዮ ዝበሎ ሓበሬታ ከምዘነጽሮ፡ ሰራሓትኛታት ጸረ ብልሽውና ኢንዶንዥያ በዚ ዝገበርዎ ሃንደበታዊ ተፍትሽ፡ እቲ ሚኒሰትር፡ ካብ ክልተ ኣቐረብቲ ትካላት ካብ ነፍሲ ወከፍ ዕሻግ ንረድኤት ዝመጽእ ንብረት 10 ሽሕ ሩብያ (0.71 ዶላር) ጉቦ ይቕበል ከምዝነበረ ኣረጋጊጸረና ኢሎም ይብል። እዚ ሚኒስተር በዚ ተኸሲስዎ ዘሎ ገነበኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ ክሳብ 20 ዓመት ዘብጽሕ ማእሰርቲ ከምኡ’ውን ሓደ ቢልዮን ሩብያ ክቅጻዕ ከምዝኽእል ይንገር። ካብቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ሰባት እቶም ክልተ ሓለፍቲ መንግስቲ ከምዝኾኑ’ውን ተገሊጹ። ፕረዚደንት ኢንዶንዥያ ጆኮ ዊዶዶ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንኹሎም ሚኒስተራት ካብ ከምዚ ዓይነት ብልሽውና ክቁጠቡ ብተደጋጋሚ ከምዝሓበረ ብምግላጽ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ንዝኾነ ዓይነት ብርሽውና ከምዘይጸወር ተዛሩቡ። ፕረዚደንት ጆኮ ዊዶዶ “እዚ ገንዘብ ህዝቢ’ዩ፡ ብሰንኪ ኮቪድ 19 ቁጠባዊ ሃስያ ንዝወረዶም ዜጋታትና ንኽኸውን ዝተወጠነ ድማ’ዩ” ኢሉ።","category":"CATEGORY_FIVE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55212585"} {"headline":"ኣሽሓት ኢንዶኖዣውያን ዘመዛበለ እሳተ ጎመራ","content":"ኣብ ኢንዶኖዥያ ብዝተኸሰተ እሳተ ጎሞራ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት እታ ሃገር ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም። ልዕሊ 10 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ሰብ ሞያ ህይወት ኣድሕን ኣብ ጸበባ ንዝርከቡ ዜጋታት ንምድሓን ላዕልን ታሕትን ይብሉ ኣለዉ።","category":"CATEGORY_FIVE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59694291"} {"headline":"ኢንዶኒዥያ፡ ብ'ደማዊ' ውሕጅ ዘዕለቕለቐት ቁሸት","content":"ሓንቲ ኣብ ኢንዶኒዥያ እትርከብ ቁሸት ብቐይሕ ደም ሕብሪ ዝመልኦ ውሑጅ ኣዕለቕሊቓ። እቲ ወሓዚ ሩባ ከምዚ ዓይነት ዘይተለምደ ሕብሪ ክሕዝ ዝኸኣለ፡ ውሕጅ ንሓደ ዓለባ ሕብሪ ዝልኸየሉ ፋብሪካ ምስ ሃረመ እዩ። እቲ ብደም ዝጠልቀየ ዝመስል ሕብሪ ዘለዎ ወሓዚ ማይ፡ ኣብ ማእከላይ ጃቫ፡ ጄንጎት ብዝበሃል ጎደና ኣዕለቕሊቑ ዝመጽአ እዩ። ኣብ ደቡባዊ ከተማ ፔካሎንጋን ዝርከብ እዚ ኸባቢ፡ ዓለባታት ብባህላዊ ሕብሪ ብምድማቕ ዝፍለጥ ፋብሪካ ዝርከበሉ እዩ። ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ነቲ ደም ዝተለኸየ ዝመስል ወሓዚ ማይ ምስልታት ኣብ ገጻቶም ክጥቅዑ ተራእዮም። ሓደ ሓላፊ ረድኤት እቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተቓልሑ ምስልታት ሓቃዊ ምዃኖም ኣረጋጊጹ ኣሎ። ዲማስ ኣርጋ ዝተባህለ፡ \"እቲ ቀይሕ ሕብሪ ብምኽንያት እቲ በቲ ውሕጅ ዝተሃረመ መቐለሚ ፋብሪካ ዓለባ እዩ ከምኡ ኾይኑ። ዝናብ ምሰሃረመ ኣብኡ ተሓዊሱ ባአዕሉ ክጠፍእ እዩ\" ኢሉ። ቅድም ክብል'ውን ኣብ ፔከሎንጋን ብተመሳሳሊ፡ እዞም ዓላቡ ንምቕላም ኣብ ረብሓ ዝውዕሉ ሕብርታት ከም ገለ እንተወጺኦም ኣብቲ ከባቢ ዝውሕዙ ሩባታት ሕብሮም ክቕይሩ ተራእዮም ይፈልጡ እዮም። ሮይተርስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ተመሳሳሊ ተርእዮ ካብቲ ከባቢ ዝጸብጸበ ኾይኑ፡ ብሰንኪ እቲ ፋብሪካ ሓደ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሩባ፡ ብሩህ ሓምለዋይ ሕብሪ ሒዞም ከም ዝነበሩ ይዝረብ። ኢንዶኒዥያ ብተደጋገሚ ብሓደጋ ዕልቕልቕ እትጥቃዕ ሃገር ኮይና ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር፡ ጃካርታ፡ ብሰንኪ ዘጋጠመ ዕልቕልቕ 43 ሰባት ምማቶም ዝዝከር እዩ። እታ ሃገር ብ2013 ብኸቢድ ሓደጋ ካብ እትውቃዕ ንነጀው ከቢድ ዕልቕልቕ ንምክልኻል ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዝረአዩ ደመናታት ናብ ዝናብ ከይቅየር ዝሕግዝ ከሜካላት ዝነጽጋ ነፈርቲ የዋፍሩ እዮም።","category":"CATEGORY_FIVE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55908526"} {"headline":"ኣብ ኢንዶነዥያ ዝርከባ ዓድታት ኣካላዊ ርሕቐት ንምሕላው ምስሊ 'መልኣከ ሞት' ይጥቀማ","content":"ኣብ ኢንዶነዥያ ዝርከባ ዓድታት ኣካላዊ ምርሕሓቕ ሰባት ንምቁጽጻር 'ተምሳል መልኣከ ሞት' ዝተኸደኑ ወለንታውያን ሰባት ይጥቀማ ኣለዋ። ኣብ ደሴት ጃቫ እትርከብ ኩፑል እትብሃል ዓዲ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚራ'ያ ነቲ ኣገባብ ክትጥቐመሉ ጀሚራ። እዚ ብኣጸዋውዓ እቲ ዓዲ 'ፖኮክ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምስሊ፡ ከም መንፈስ ናይ ምውታት'ዩ ዝውሰድ። ካብ ጆን ሆፕኪንስ ብዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ኢንዶኒዥያ፡ ዛጊት 4400 ዜጋታታ ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለው 400 ድማ ሞይቶሙዋ ኣለው። እንተኾነ ሰብ ሞያ ጥዕና እታ ሃገር ቁጽሪ መወትቲ ካብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ንላዕሊ ከኸውን ከምዝኽእል ስክፍተኦም ይገልጹ። እቲ ብምስሊ መልኣከ ሞት ዝፍተን ዘሎ ኣካላዊ ርሕቀት ሰባት ንምቁጽጻር ዝተፈተነ ሜላ፡ ሰባት ነቶም ምስሊ መልኣከ ሞት ዝተኸደኑ ወለንታውያን ንምዕዛብ ዑጉግ ስለዝብሉ ጠንቂ ምልባዕ ኮሮናቫይረስ ከይኸውን ስግኣት ከምዘሎ ካብ ሮይተርስ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ። ነበርቲ እተን ከምዚ ዓይነት ኣገባብ ዝጥቀማ ዘለዋ ዓድታት ግን፡ እቲ ፈተነ ጽቡቕ ውጽኢት የርኢ ከም ዘሎ እዮም ዝዛረቡ። ነባሪ እታ ዓዲ ዝኾነ ካርኖ ሱፓዶ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ \"ነዞም ምስሊ መልኣከ ሞት ዝለበሱ ኣብቲ ሰብ ዝእከበሉ ዝነበረ ቦታታት ኮፍ ከነብሎም ምስ ጀመርና ሰብ ካብ ገዝኡ ምውጻእ ገዲፍዎ\" ኢሉ። ሰባት፡ ድሕሪ ስግደት፡ ኣብዚ 'መልኣከ ሞት' ኮፍ ዝብልሉ ቦታ ይእከቡ ከም ዝነበሩ ዝሕብር ካርኖ ሱፓዶ፡ ሕጂ ግን ነቲ ምስሊ ምስ ርኣዩ፡ ሞት ስለዘዘኻኽሮም ምእካብ ከም ዘቋረጽዎ'ዩ ዝሕብር። እዚ ብተበግሶ ማሕበር መንእሰያትን ፖሊስ ናይቲ ከባብን ዝጀመረ ኮይኑ፡ ሓላፊ እቶም መንእሰያት፡ ኣንጃር ፓንካኒንግትያስ \" መልኣከ ሞት፡ ከምቲ ሽሙ ዘፍርሕ'ዩ፡ ብሓቂ ኸኣ ስራሕና ውጽኢት ርኢናሉ ኢና\" ይብል።","category":"CATEGORY_FIVE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/52264117"} {"headline":"ኣብ ኢንዶነዥያ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ 160 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ኢንዶነዥያ ደሴት ጃቫ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብውሕዱ 160 ሰባት ከምዝሞቱን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ድማ ከምዝተጎድኡን ሰበስልጣን እታ ሃገር ኣፍሊጦም። እቲ 5.6 ማግኒቱዩድ ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንብዙሓት መንበሪ ኣባይቲ ናብ ፍርስራስ ቀይርዎም።","category":"CATEGORY_FIVE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/czr4e9kn4y2o"} {"headline":"ብሰንኪ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ ምድሪ 6 ኣባላት ስድርኡ ዝስኣነ ኢንዶነዥያዊ","content":"ኣብ ኢንዶነዥያ ምዕራባዊ ክፋል ጀቫ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ መሬት ዛጊድ ልዕሊ 250 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ድማ ከምዝተጎድኡ ሰበስልጣን እታ ሃገር ኣፍሊጦም። እዚ ኢንዶነዥያዊ ሰብኣይ ብሰንኪ እቲ ሓደጋ 6 ኣባላት ስድርኡ ምስኣኑ ተገሊጹ።","category":"CATEGORY_FIVE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crg9w0qqqz1o"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ በይኖም ብዝሞቱን ብሕጽረት ኦክስጅንን ትሳቐ ዘላ ሓዳሽ ሕምብርቲ ለበዳ","content":"ኣብዚ ሓያል ቅልውላው ዘለወሉ ግዜ፡ በቲ ሓደ ወገን ሰራሕተኛታት ምጥፋእ ሓዊ፡ ካብ በብገዝኡ ሬሳ ምውታት ይኣርዩ። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ሕፅረት ኦክስጅንን ኣብ ፀገም ግዘ ነንባዕሉ ዝተሓጋገዝ ማሕበረሰብ ኣሎ። እዚኦም ካብታ ኣብዚ እዋን ብለበዳ ኮቪድ-19 ትሕቆን ዘላ ኢንዶኖዥያ፡ ዝወፅኡ ዘለዉ ተርእዮታት እዮም። ኣብታ ሃገር ዛጊድ ልዕሊ 2.7 ሚልየን መልከፍቲ ከጋጥም እንከሎ ኣብቲ ዝሓለፈ 15 ሰነ ድማ ኣብ መዓልቲ ቁፅሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 56 ሽሕን 700 ሓሊፉ’ዩ። ኣብ ክልተ መዓልቲ ጥራሕ፡ ብተኸታታሊ ልዕሊ 50 ሽሕ ሓድሽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ተመዝጊቡ፤ እዚ ድማ ኤሽያ ሓዳሽ ሕምብርቲ ኮቪድ-19 ክትከውን ገይሩዋ ኣሎ። ዝርግሐ እቲ ኣዝዩ ተመሓላላፊ ዝኾነ ሓድሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ዝኾነ ዴልታ ቫይረስ ይቕፅል ብምህላዉ ድማ፡ ኢንዶኖዥያ ዝሓሰመ ቅልውላው ከጋጥማ’ዩ። ዊራዋን፡ ኣብ ከተማ ጃካርታ ሰራሕተኛ ምጥፋእ ሓዊ እዩ፤ እንተኾነ ኣብ ክንዲ ሓዊ ምጥፋእ ኣብዚ እዋን ኣብ ኣተሓሕዛ ሬሳ ብኮቪድ ዝሞቱ ሰባት እዩ ዝነጥፍ ዘሎ። ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት ንሱን ካልኦት ሸውዓተ መሳርሕቱን፡ መሳርሒ መከላኸሊ ኮሮናቫይረስ ተኸዲኖም ካብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ሬሳ ምውታት ክእክቡን እቶም ሬሳታት ናብ ቀብሪ ቅድሚ ምስናዮም፡ ዘድሊ ጥንቃቐ ክገብርሉን ሓላፍነት ተሰኪሞም። መብዛሕትኦም ግዳያት ሞት ንብሕቶም ከም ዝሞቱ ዝገልፅ ዊራዋን፡ ምኽንያቱ ብቐጥታ ሕክምና ዘይምርካቦም ወይ ድማ ካብ ሆስፒታላት ክምለሱ ስለ ዝተገበሩን ክኸውን ከም ዝኽእል ይዛረብ። “ዝበዝሕ ግዘ ጎረባብቶም፡ ‘እዚ ሰብ ዓርሰ ውሸባ ካብ ዝገብር ንነጀው ኣይተርኣየን’ ኢሎም ይድውሉልና። ካብኡ ሞይቶም ንረኽቦም። እዚ በብመዓልቱ ንርእዮ እዩ” ይብል። ዊራዋን፡ ቅድሚ እቲ ናይ መወዳእታ ቁፅሪ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ እታ ሃገር ምዕራጉ ኣብ መዓልቲ ክልተ ወይ ሰለስተ ስነ ስርዓት ቀብሪ የወሃህድ ኔሩ። ኣብዚ እዋን ግን ልዕሊ ዓቕሙ ኣብ መዓልቲ 24 ቀብርታት ከዳሉ ስልክታት ይድወሎ። ቅልውላው ኮቪድ-19 ኢንዶኔዥያ፡ ኣብ መፈለምታ ወርሒ ጉንበት ድሕሪ በዓላት ዒድ 1.5 ሚልየን ሰባት ንከባብያዊ እገዳታት መገሻ ንምትግባር ምስ ኣበዩ’ዩ ናብዚ ዘስግእ ደረጃ በፂሑ። ንበፃሕቲ ዓዲ ዝተቐመጡ ረቛሕታት ምውሻብ’ውን ዕሽሽ ተባሂሎም ኔሮም። ኢንዶኖዥያ ሓሙሽተ መዓልታት ዝነበረ ግዘ ውሸባ ናብ ሸሞንተ መዓልታት ክብ ካብ ምባል ብዝዘለለ፡ ናብታ ሃገር ዝግበሩ ዓለምለኻዊ በረራታት ኣጊዳ ኣይትፈልጥን። ሰብ ሞያ፡ ዶባት እታ ሃገር ክፉታት ክሳብ ዝኾኑ፡ ነቲ ቫይረስ ምቁፅፃር ከም ዘይከኣል ይገልፁ። ሰብመዚ እታ ሃገር ግና ዝተመረፁ ወፃእተኛታት ናብታ ሃገር ክኣትዉ ይኽእሉ’ዮም ይብሉ። ኣብዚ እዋን ኣብ ኢንዶኖዥያ ቁፅሪ ብኮሮናቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት 70 ሽሕ በፂሑ ኣሎ፤ በብመዓልቱ ድማ ሓደ ሽሕ ሰባት ይሞቱ። ከም ፀብፃብ ላፖር ዝተባህለ ዘይሻራዊ ጉጅለ መረዳእታ ኮቪድ-19፡ ካብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ብውሑዱ 450 ሰባት ኣብ መንበሪ ገዝኦም ሞይቶም፤ እዞም ሰባት፡ ሆስፒታላት ብምምለአን ንርእሶም ካብ ምውሻብ ሓሊፎም ኣማራፂ ኣይነበሮምን። ብዙሕ ህዝቢ ዘለዋ ኢንዶኖዥያዊት ደሴት ጃቫ፡ ሕምብርቲ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ለበዳ እያ። ኣብ መፈለምታ ሰሙን ወርሒ ሓምለ፡ ኣብ ዮግየካርታ ዝርከብ ሆስፒታል ዝነበሮ ኦክስጅን ምውድኡ ስዒቡ 63 ሕሙማት ኮቪድ-19 ኣብቲ ማእኸል ጥዕና ህይወቶም ሓሊፉ። እዚ ሞት ንመላእ እታ ሃገር ኣብ ስንባደ ዘጥሓለ ኮይኑ፤ እቲ ሆስፒታል ግና ፀብፃባት መራኸብቲ ሓፋሽ ንኣሃዝ እቶም ግዳያት ኣጋኒነሞ ኢሎም። ካብ ሻቡ ጀሚሩ፡ ብዙሓት ሆስፒታላት ብሰንኪ ሕፅረት ቀረብ ኦክስጅን ሓደሽቲ ሕሙማት ንከይቕበላ ተገዲደን። ላዕለወይቲ ሓላፊት ማሕበር ሆስፒታል ኢንዶኔዥያ ሊያ ጋርደንያ ፓርታኩሱማ፡ “ኣብ ልሙድ ግዘ ሓደ ሆስፒታል ንሰለስተ መዓልቲ ወይ ንሰሙን ሰለስተ ቶን ኦክስጅ እዩ ዝጥቀም ኔሩ። ሕዚ ግና ኣብ ሓደ መዓልቲ እዩ ዝውዳእ” ትብል። ሰብ ሞያ ማሕበር ህዝባዊ ጥዕና ኢንዶኖዥያ፡ እዚ ሕፅረት ኦክስጅን ብሰንኪ ድኽመት መንግስቲ ማለት’ውን ቁፅሪ መልከፍቲ ክውስኽ እዩ ኢሉ ትፅቢት ብዘይምግባሩ፡ ከም ዘጋጠመ እዮም ዝገልፁ። ብሰንኪ በዓላት ልዑል መልከፍቲ ከጋጥም ከም ዝኸእል'ውን ከጠንቅቑ ፀኒሖም’ዮም። ሰባት ብመገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ንመሓዝቶምን ስድርኦምን ሓገዝ መዕቖሪ ኦክስጅን፣ ኣፋውስን ናይ ሆስፒታል ዓራትን ክረኽቡ ብዓቕለ-ፅበት ይምሕፀኑ ኣለዉ። ኣብ ውሑዳት መኽዘን ኦክስጅን ብዙሓት ሰባት መስርዕ ይሕዙ፤ መብዛሕትአን ግን ብሰንኪ ሕፅረት ተዓፅየን እየን። ወናኒ እታ ኣብ ጃካርታ ትርከብ ንእሸተይ ማእኸል መምልኢ ኦክስጅን ኣሪፍ ሶፍያን፡ “ብተደጋጋሚ ንሓደ መዓልቲ ክንሸይጥ ኣይንኽእልን ኔርና” ይብል። ይኹን’ምበር ሻቕሎታት ምስ ወሰኸ ስርቂ በዚሖም። ሻኒ ቡዲ፡ ንሓማቱ ኦክስጅን ንምዕዳግ ኣብ ዝፈተነሉ ኣብ ኢድ ሰርቕቲ ወዲቑ ኔሩ። ንሱ ሓደ ኦክስጅን ኣቕራቢ ይረክብ እሞ፡ ኣቐዲሙ ገንዘብ ክኸፍል ይነግሮ። ብመሰረት እቲ ዝተሓተቶ ድማ፡ ንሓሙሽተ ገንኢ ኦክስጅን 172 ዳላር ይልእኽ፤ ካብቲ ኣቕረባይ ኦክስጅን እየ ዝበለ ጒሒላ ግና፡ ካብ ምጉሳይ ሓሊፉ ዝረኸቦ ምላሽ የለን። እቲ ፅቡቕ ነገር፡ ሓማቱ ብህይወት ተሪፋ ኣብ ምሕዋይ ትርከብ። ወዲ 24 ዓመት ዶክተር ሪዮ ፑንግኪ ኢርዋን፡ ኣብ ዮግያካርታ ንሕሙማት ንምምርማርን ንምሕብሓብን ቪድዮ ብምድዋል ወለንታዊ ሕክምና ንምሃብ ወሲኑ። ብዙሓት ሰባት ከይተመርመሩ ኣብ ውሸባ ከም ዘለዉ ምስ ፈለጠ ድማ፡ ብዋስኣፕ ኣገልገሎት ምሃብ ጀሚሩ። ኣብቲ ዝሓለፈ 7 ሓምለ ናፃ ኣገልግሎት ከም ዝህብ ምስ ኣፍለጠ፡ 800 ‘ቴሌ ሜዲካል’(ኣገልግሎት ሕክምና ብስልኪ) ናይ ዝጠልቡ ሰባት ሕቶታት ከም ዝተቐበለ ይገልፅ። “ንርእሶም መድሓኒት ብምእዛዝ ንዝወስዱ ብዙሓት ሕሙማት ኣዛሪበ እየ። ስለዚ እዚ ክንፈትሕ ኢና ፈቲንና” ይብል። ዋላ’ኳ ኣብቲ ብስልኪ ዝህቦ ኣገልግሎት ሕክምና፡ ንተሓከምቱ መድሓኒት እንተዘይኣዘዘ፡ ተሓከምቱ ኣብ ግዘ ውሸባ እንታይ ክወስዱን እንታይ ከወግዱን ከም ዘለዎም ማዕዳ ይህብ። ኣብ ምዕራባዊ ጃቫ ዝነብር ሓረስታይ ጆኪ ሃርያዲ፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ውሸባ ንዝርከቡ ሰባት ብመኪንኡ እናዘረ ካብ ዓውዱ ዝሓፈሶ ሩዝ የብፅሓሎም። ብተወሳኺ፡ ኦክስጅንን ቫይታሚናትን ብምምፃእ ይሕግዞም። “ጎረባብቶም በቲ ቫይረስ ከይልከፉ ስለ ዝፈርሑ ስለኦም ኣይግደሱን። ከም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ካልኦትን ብምግባር ክሳብ ዝተጠንቀቕና፡ ክንፈርሕ ኣይግበአናን እየ ዝብል” ይብል ሓረስታይ ጆኪ።","category":"CATEGORY_FIVE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58020524"} {"headline":"ስደት፡ ነብሰ ቕትለት ዝፍጽሙ ዘለዉ “ዝተረስዑ” ስደተኛታት","content":"ዓሊ ጆያ ነቲ ምስ ዝፈትዎም ስድርኡ ዝተፈላለየ መሓዝኡ ሙጅታባ ቃለንደሪ ከም ቤተሰብ’ዩ ዝሕብሕቦ ነይሩ። ክልቲኦም ኣፍጋኒስታናውያን ኣብ ኢንዶነዥያ ዝርከቡ ኮይኖም ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ዝሰጋገሩሉ ዕድል ክሳብ ዝረኽቡ ኣብ ምጽባይ ነይሮም። “ብሩህ ኣእምሮ ዝነበሮ ስብ’ዩ ነይሩ። ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ተሰጋጊሩ ኣብ ኣፍጋኒስታን ንዘላ ወላዲት ኣዲኡ ናይ ምሕጋዝ ሕልሚ ነይርዎ” ይብል ሙጅጣባ ብዛዕባ ዓሊ ክዛረብ ከሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ “ኩል ጊዜ ‘መጻኢ ህይወተይ ከመቻቹ ኣለኒ፤ ሰበይትን ቖልዓን ክህልዉኒ እደልይ’ እዩ ዝብል” ብምባል ይገልጽ። እንተኾነ ትጽቢት ነዊሑ፤ ዓሊ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነብሰ ቕትለት ፈጺሙ። ዕድሚኡ ገና ካብ ዒስራታት ዘይሰገረ ዓሊ ንሸሞንተ ዓመታት ዝኣክል ናብ ሳልሳይቲ ሃገር ዝሰጋገረሉ ዕድል ተጸበይዩ’ዩ። መሓዝኡ ዝሰኣነ ሙጅታብ ኣብ ከቢድ ስንባደ ይርከብ። ኣተሓባባሪ ኣፍጋኒስታናውያን ስደተኛታት ዝኾነ ሞሓመድ ያሲን ከምዝብሎ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ካብ ሞንጎ’ቶም ኣብ ኢንዶነዢያ ዝነብሩ ስደተኛታት ኣፍጋኒስታን ዓሊ ዝርከቦም 13 ስደተኛታት ርእሰ ቅትለት ፈጺሞም። ኩሎም እቶም ነብሰ ቕትለት ዝፈጸሙ ስደተኛታት ብትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ዩኤንኤችሲኣር) ንዝርከብ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ናይ ምስግጋር ዕድል ካብ 6 ክሳብ 10 ዓመታት ክጽበዩ ምጽንሖም ይግለጽ። ኩሎም ድማ ኣብ 20ታት ዕድመ ነይሮም። “ተረስዒና ኢና” ትካል ስደተኛታት ዓለም [ዩኤን ኤች ሲ ኣር] ካብ ሞንጎ ዝመዝገቦም ስደተኛታት እቶም 2.7 ሚልዮን ኣፍጋኒስታናውያን እዮም። በዚ ምኽንያት ብብዝሒ ስደተኛታት አብ ዓለም ሳልሳይ ደረጃ ትስራዕ። ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣፍጋኒስታን ብ 2001 ንዘካየደቶ ወራር ስዒቡ ብምኽንያት ስግኣት ጸጥታ ከምኡ’ውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ዘይምርግጋእ ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ናብ ፍልሰት ተሳጢሖም’ዮም። ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ 2020 ኣብ ዝነበረ እዋን ጥራይ ኣስታት 800 ሽሕ ኣፍጋኒስታናውያን ኣብ ኢንዶነዢያ ብዩኤንኤችሲኣር ተመዝጊቦም። ኣብታ ሃገር ክሰርሑን ክመሃሩን ኮነ ካልኦት ኣገልግሎታት ክረኽቡን ኣይክእሉን። ሙጅታባ ንቲ ኣፍጋኒስታን ዝነበረ ኲናት ብምስጋእን ዝሓሸ ሂወት ብምምናይን’ዩ በዓልቲ ገዝኡን ወዱን ሒዙ ብ2015 ናብ ኢንዶነዢያ ኣትዩ። ናብታ ሃገር ምስኣተዉ ድማ ክልተ ቖልዑት ወሲኾም። በዓልቲ ገዝኡ ከምእትብሎ እቲ ነዊሕ ዓመታት ዝወሰደ ትጽቢት ነዓኣን ንበዓል ገዝኣን ናብ ቃዝኖት\/ጭንቀት ከምዘእተዎም ትዛረብ። “ኣብ 2015 ብዩኤንኤችሲኣር ተመዝጊብና፤ ግን ከኣ ካብቲ እዋን ጀሚሩ ዘዘራረበና የለን። ተረሲዕና ኢና” ትብል እታ ጓል 34 ዓመት። ኣተሓባባሪ ኣፍጋኒስታናውያን ስደተኛታት ዝኾነ ሞሓመድ ኣብቲ ቦታ ዝፍጸም ነብሰ ቕትለት ይውስኽ ከምዘሎ ምዕዛቡ ይዛረብ። “ናይዚ ምኽንያት እቲ ብዩኤንኤችሲኣር ዝፍጸም ናብ ሳልሳይቲ ሃገር ናይ ምስግጋር ዕድም ምድንጓዩ እዩ። እቲ ዝሓጸረ ጊዜ ሽድሽተ ዓመታት’ዩ ዝወስድ። ፋይናንሳዊ ጸገማት፣ ዝጸልመተ መጻኢ፣ ጭንቀትን ካልኦት ተዛመድቲ ጉዳያትን ሰባት ህይወቶም ንኸጥፍኡ ምኽንያት እዮም” ክብል የረድእ። “ንበይነይ ገዲፉኒ ከይዱ” ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርከቡ ስደተኛታት እውን ነቲ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ብምስግጋር ክነብሩ ዝፍጠረሎም ዕድል ክጽበዩ ነዊሕ ዓመታት ዝወስደሎም ብምዃኑ ንተመሳሰልቲ ጸገማት ከምዝሳጥሑ ይፍለጥ። መረዳእታ ትካል ስደተኛታት ከምዝሕብሮ ብደረጃ ዓለም ናብ ሳልሳይቲ ሃገር ምስግጋርን ቀዋሚ መንበሪ ምርካብን ዘድልዮም ኣስታት 1.4 ሚልዮን ስደተኛታት ኣለዉ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ ካብ ዘለዎም ድልየታት፣ ጉዳይ ድሕነትን ሕጽረት ዓለምለኻዊ ቆላሕታን’ዩ። ዓለማዊ ለበዳ ኮሮነቫይረስ ቅድሚ ምምጽኡ ኣብ 2019 29 ሚልዮን ስደተኛታትን ልዕሊ 4 ሚልዮን ሓተትቲ ዕቑባን ነይሮም። ሙጂጣባ ሑሴን ካልእ ናይ ቀረባ መሓዝኡ’ውን ብሞት ተፈልይዎ’ዩ። ኣብ ሓደ ክፍሊ ገዛ ሓቢርዎ ዝነብር ዝነበረ ወዲ 22 ዓመት ዓብዱል ንሸውዓተ ዓመታት ዝኣከል ኣብ ኢንዶነዢያ ጸኒሑ። ወዲ 36 ዓመት ዓብዱል ብስደት ኣብ ዘዕቖበላ ሃገር ኮይኑ ምስ በዓልቲ ገዝኡን ክልተ ደቁን ክራኸብ ተስፋ ይገብር ነይሩ። ግን ከኣ ሙሁጅጣባ ከምዝብሎ “ተስፋ ብምቑራጹ ነብሰ ቕትለት ፈጺሙ”። እዚ ዝኸውን ዘሎ ድማ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ’ዩ። ሙጅጣባ ግን ህይወቱ ቀጺላላ። ኣብዚ እዋን ኣብታ ምስ ዓብዱል ዝነብረላ ዝነበረ ንኢሽተይ መስኮት ዘላታ ጸባብ ገዛ ናብረኡ ይመርሕ ኣሎ። ናብ ሳልሳይቲ ሃገር ክሳብ ዝሰጋገር እናተጸበየ ሲሶ ካብ ዕድሚኤ ኣብታ ጸባብ ክፍሊ “ከምዝባኸነ” ይዛረብ። ኣብ ኢንዶነዥያ ወኪል ዩኤንኤችሲኣር ኣን ማይማን ንማዕኸናት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ስደተኛታት ዝፍጽምዎ ነብሰ ቕትለት ብሓዘን ዝሰብር’ዩ። ‘ብመንግስቲ፣ ብገብርቲ ናይ እታ ሃገር ኮነ ብዓለምለኸ ትካላት ረድኤት ዝግበር ሓገዝ ቁሩብ’ዩ” ትብል። እቶም ስደተኛታት ምስቲ ከባቢ ንኽልማምዱ ዩኤንኤቭሲኣር ከም ማእኸላት ምኽሪ ዝበሉ አግልግሎታት ጥዕና ኣእምሮ ማእከላት ምኽሪ ከጠናኽር ኣለዎ ትብል እታ ወኪል። “ኣብ ህይወተይ ሕሱም ኣጋጣሚ” ወዲ 42 ዓመት ሙሳ ሳዛዋር ኣፍጋኒስተናዊ ናይ ቴሌቪዥን ጋዜጠኛ እዩ። ነታ ነብሰጾር ኮይና ኣብ ጋዝኒ ገዲፍዋ ዝወጽአ በዓልቲ ገዝኡ ክዝክር ከሎ ብንብዓት እናተሓጸበ ምንባሩ ይዝክር። “ወደይ ሸሞንተ ዓመት ኮይንዎ’ሎ፤ ብዓይነይ ግን ርእየዮ ኣይፈልጥን። ሓቚፈ ክስዕሞ ኣይተዓደልኩን” ይብል። ሙሳ ምስ ስርሑ ብዝተሓሓዝ ካብ ዓመጽቲ ጉጅለታት ንዝበጽሖ ዝነበረ ምፍርራሕ ብምስጋእ ናብ ስደት ክወጽእ ኣብ ዝሓሰበሉ እዋን ቤተሰቡ ንሓሳቡ ኣይተቐበልዎን ነይሮም። “በዓልቲ ገዛይ ‘ንደቅና ክከናኸኖም’የ’ ኢላትኒ” ይብል ሙሳ። ምስዓበዩ ብዛዕባ ኣቡኦም እንተዝፈልጡን ኣብ ርሑቕ ምህላዉ እንተዝንገሮምን ጽቡቕ’ዩ። ንስኻ ክትመውትን ብዘይኣቦ ክዓብዩን ኣይደልን” ትብሎ። ንሱ ካብ ሃገሩ ምስወጽአ ሓደ ዓመት ምስኮኖ ሰራዊት ኔቶ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝነበሮ ልኡኽቶ ዛዚሙ ወጺኡ። ኣሜሪካ’ውን ካብ ዝነበራ ሰራዊት ንብዙሓት ስሒባ። ኣብታ ሃገር ከኣ ዓመጽ ተጓሃሂሩ። በዚ ምኽንያት ብኣማኢት ኣሽሓት ኣፍጋኒስታናውያን ናብ ስደት ወጺኦም። ኣብዚ እዋን ኣስታት 8000 ኪሎሜትሮ ካብ ቤተሰቡ ርሒቑ ዘሎ ሙሳ ነዓኣቶም ንምርካብ ናይ ቪድዮ ደወል ይጥቀም። “ብጣዕሚ ከቢድ’ዩ። ኣቦ እየ ክብል እውን ኣይክእልን። እቲ ፍታሕ ግን እንታይ እዩ? እዚ ዝኸውን ዘሎ ብምኽንያት እቶም ዘጋጥሙና ዘለዉ ብድሆታት’ዩ። ስደትን እቲ ካብ ሃገርና ንኽንወጻእ ዝገብረና ዘሎ ኩነታትን እዮም” ይብል ሙሳ። ኣስዒቡ ድማ “ኣብ ህይወተይ ሕሱም ዝኾነ ጊዜ እቶም ካብ ዓደይ ርሒቐ ዘሕልፍክዎም ዓመታት’ዮም” ክብል ነቲ ኩነታት ይገልጾ።","category":"CATEGORY_FIVE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56929461"} {"headline":"ኢንዶንዥያ፡ ብውሕዱ 14 ዝቐተለ እሳተጎመራ ን11 ዓድታት ብሓሙኽሽቲ ኣድብዩ","content":"ኣብ ኢንዶንዥያ፡ ደሴት ጃቫ ዝርከብ ሰመሩ ዝብሃል እምባ ዝተልዓለ እሳተጎመራ ስዒቡ፡ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ብውዑይ ሓሙኹሽቲ ንዝተደብዩ ሰባት ንምድሓን ይረባረቡ ኣለዉ። ሰብ መዚ ህይወት ኣድሕን እቲ ከባቢ ክሳብ ሕጂ 14 ሰባት ምማቶም ከረጋግጹ እንከለዉ ዓሰርተታት ብኸቢድን ብፎኲስን ተሃስዮም ከምዘለዉ ገሊጾም። ኣብ ማሕበራዊ ሙድያ ዝተዘርገሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ከምዘርእዮ፡ ፖሊስን ወተሃደራትን ብሓሙኽሽቲ ንዝተደብዩ ሰባት ንምድሓን ብኢዶም እናፍሓሩ እንከለዉ ይርኣዩ። ኣባይቲ ክሳብ ናሕሶም መካይን'ውን ምሉእ ንመሉእ በቲ ሓሙክሽቲ ተደብየን ኣለዋ። ኣብታ ደሴት ካብ ዝርከባ ቁሸታት እተን 11 በቲ ካብ እሳተጎመራ ዝወጽአ ሓሙኽሸቲ ክድፈና እንከለዋ 56 ካብ ነበርተን ፎኵስን ከቢድን ጉድኣት ኣጋጢምዎም ኣሎ። ኣብ ሓንቲ ካብተን ቁሸታት ዝነብር ሳሊም \"10 ሰባት በቲ ከም ፈሳሲ ዝውሕዝ ዝነበረ ርሱን ጭቃ ተወሲዶም ኣለዉ\" ኢሉ። ኣብ ካልእ ዓዲ ዝነበር ውለቀ ሰብ'ውን ካብታ እሱ ዝነበረላ ቁሸት 10 ሰባት ሃለዋቶም ጠፊኡ ምህላዉ ገሊጹ። \"ኩልና ንቡር ውሑጅ እምበር ብእሳተ ጎሞረ ዝሰዓበ ዋሕዚ ጭቃ ኣይመሰለናን፡ ሰማይ ሃንደብት ብትኪ ዕብልኽ ኢሉ ፤ ኣምላኽ ይመስገን ቀልጢፉ ዝናብ ስለዝጀመረ እቲ ደሮና ህድእ ኢልልና ከነተንፍስ ክኢልና\" ክብል ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ። ውሃቢ ቃል ኣጄንሲ ህይወት ኣድሕን ኢንዶኒዥያ፡ን ሬሳታት ናይቶም ዝሞቱ ኣብ ሓደ ተኣኪቡ ከምዘሎን እቶም ዝተሃሰዩ ኣብ ዝተፈላለየ ሕክምናታት ናብዩት ይግበረሎም ከምዘሎ ገሊጹ። እቲ ኣጄንሲ ክሳብ ሕጂ 1300 ሰባት ካብቲ ሓደገኛ ቦታ ናብ ውሑስ ቦታ ኣግዒዙ ከምዘሎ ብምግላጽ 10 ኣብ መስርሕ ዕደና ተዋፊሮም ዝነበሩ ሰባት'ውን ብሰላም ክወጽኡ ከምዝኸኣሉ ገሊጹ። ነቶም ናብ ውሑስ ቦታ ግዒዞም ዘለዉ ግዝያዊ መጽለሊ፣ መግቢ፣ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ካልእን ዝርከቦ መሰረታዊ ቀረባት ተዳልይሎም ከምዘሎ'ውን እቲ ኣጄንሲ ገሊጹ። ድሕሪ እቲ ክስተት እሳተጎመራ ዝሃረመ ብርቱዕ ዝናብ፡ በቲ እሳተጎመራ ዝሰዓበ ብርቱዕ ሓሙኽሽቲ ናብ ወሓዚ ጭቃ ስለዝቀየሮ ኣብ መስርሕ ምውጻእ ነበርቲ እተን ቁሸታት ዕንቅፋት ምፍጣሩ ተገሊጹ። እምባ ሰመሩ፡ ብተደጋጋሚ እሳተጎመራ ዘጋጥመሉ እምባ ኮይኑ እቲ ካብቲ እሳተጎመራ ዝወጽእ ትክን ዶሮናን ክሳብ 4300 ሜትሮ ብራኽ ንላዕሊ ከምዝውንጨፍ ይግለጽ። እምባ ሰመሩ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ 3676 ሜትሮ ብራኸ ዘለዎ ኮይኑ ሓደ ካብቶም ኣብ ኢንዶንዥያ ዝርከቡ 130 ዝኾኑ ንጡፋት እሳተጎመራታት እዩ። ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ታሕሳስ 2020 ከምዝተተኮሰን ኣሽሓት ሰባት ካብ መንበሪ ቤቶም ንኽፈናቐሉ ምኽንያት ኮይኑ ከምዝነበረን ይዝከር።","category":"CATEGORY_FIVE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59544820"} {"headline":"ኢንዶኔዢያ፡ ካብ ቦምባ ምስራሕ ናብ ምስባኽ ሰላም","content":"\"ክኢላ ምፍራይ ቦንባ እየ። ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ደቒቕ ድማ ቦንባ ክሰርሕ እኽእል\"። ዓሊ ፋውዚ፡ ኣውራ ኣባል ምስ ኣልቃዒዳ ርክብ ኣለዎ ዝበሃል ዕጡቕ ጉጅለ ጃማህ ኢስላሚያህ እዩ ነይሩ። እዚ ጉጅለ፡ ብ2002 ኣብ ኢንዶኖዢያ ንዝተፈጸመን ምኽንያት ሞት ልዕሊ 200 ሰባት ዝኾነን ኣዝዩ ዝኸፍአ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ እዩ። \"ኣሕዋተይ'ዮም ነዚ መጥቃዕቲ ቦንባ ፈጺሞምዎ። በጻሕቲ ዓዲ ኣብ ዘዘውትርዋ ደሴት ዝተፈጸመ ከቢድ መጥቃዕቲ ቦንባ እዩ ነይሩ\" ይብል። እዚ ጉጅለ፡ ኣብ ኢንዶኖዢያ ዝተፈላለዩ መጥቃዕታት ይፍጽም ነይሩ። እዚኦም ኣብ ኤምባሲታትን ሆቴላትን ዝፍጸሙ ዝነበሩ'ዮም። ሕዚ ግን፡ ዓሊ ፋውዚ ዕላምኡ ካልእ እዩ። ኣብ ደቡብ ኤስያ ንዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጉጅለ ንዝምልምሉ ሰባት ብምቅላስ፡ ካብ ከምዚኦም ዝበሉ ጉጅለታት ዝወጽኡ ሰባት ድማ ሓድሽ ህይወት ክጅምሩ ይሕግዝ ኣሎ። \"ሰባት ናብ ጉጅለታት ሽበራ ክጽምበሩ ክትምልምል ቀሊል'ዩ። ስቕ ኢልካ ንስምዒቶም ዝኩርኩሕ ነገር ምስ እትነግሮም ብዙሓት ይስዕቡኻ። ግን ድማ ካብዚ ኣተሓሳስባ ራዕዲ ከተውጽኦም ብዙሕ ግዜ ይወስደካ\" ይብል። እዚ ክገብር እንከሎ፡ በብዙሕ ምፍርራሓት እዩ ዝበጽሖ። \"ኣብ ልዕለይ ዝበጽሕ ምፍርራሕ ቀሊል ኣይኮነን። ናይ ቃል ጥራሕ ዘይኮነ ብሞት'ዮም ዘፈራርሑኒ። ግን እቲ ትኽክል ዝኾነ ነገር'የ ዝሰርሕ ዘለኹ ኢለ ስለ ዝኣምን ኣይፈርሕን። ከምዚ እናሰራሕኹ ክመውት ድልዊ'የ\"። ኣብ ኣፍጋኒስታን፣ ቦስኒያን ፍልስጤምን ዘሎ ኲናት ዘውርዶ ዘሎ ዕንወት፡ ምስ መሓዙቱ ኮይኑ ብምስሊ ኣብ ቴሌፎኑ ይርእዮ ነይሩ። ዓሊ ፋውዝን ኣሕዋቱን፡ ናብ ዕጡቓት ጉጅለታት ክጽምበሩ ዝገበሮም ድማ፡ እዚ ብኻልኦት ሃገራት ዝፍጸም ኲናት ምዃኑ ይዛረብ። \"እዞም ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት ዝፍጸሙ ኣረመናዊ መጥቃዕታት ብቪድዮ ተሳኢሉ ንርኢ ነይርና። ኣስላም ካብዚ ዝበጽሖም ዘሎ በደል ከድሕኖም ኣለኒ ኢለ። ንእስነት ስለ ዘሎ፡ ብርሱን ወነ ተመሊሰ ነቶም መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ዘለው ክቃለሶም ኣለኒ ኢለ\"። ኣሕዋቱ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ናብ ዘሎ ሙጃሂደን ክጽምበሩ ከለው፤ ዓሊ ፋውዚ ኣብ ደቡብ ፊሊፒንስ ናብ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጉጅለ ኣትዩ። \"ኣብዚ እናተቓለስኩ ክመውት ተመንየ፤ ኩል ግዜ እናሞትኩ እየ ዝሓስብ። ኣብ ሞንጎ ቓልሲ እንተሞይተ ብቐጥታ ናብ መንግስተ ሰማያት ከይደ ምስ መላእኽቲ ከም ዝራኸብ እየ ዝኣምን ነይረ። ኩል ግዜ ንሱ'ዮም ዝነግሩና ነይሮም\" ይብል ዓሊ። ኣሕዋቱ ካብ ኣፍጋኒስታን ምስ ተመለሱ፡ ነቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተመሃሩዎ ኩሉ ናብ ተግባር ከውዕሉዎ ጀሚሮም። ብጥቅምቲ 2002፡ ብርክት ዝበሉ ዓለምለኻዊ በጻሕቲ ዓዲ ኣብ ዝርከብሉ ደሴት ኣብ ዘለው ናይ ለይታዊ ተልሂት ገዛውቲ መጥቃዕቲ ቦንባ ፈጺሞም። \"ነቲ መጥቃዕቲ ብቴሌቪዠን ምስ ረኣኹዎ፡ ሰንቢደ። ብዙሓት ሰባት'ዮም ሞይቶም\" ይብል ፋውዚ። ክልቲኦም ኣሕዋቱ ሽዑ ክሞቱ ከለው፡ እቲ ሓደ ናይ ሞት ፍርዲ ተፈሪዱዎ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ። ኣብቲ መጥቃዕቲ ኣይተሳተፍኩን ዝብል ዓሊ ፋውዚ፡ ንሰለስተ ዓመት ተኣሲሩ። ሽዑ'ያ ህይወቱ ተኣምራዊ ብዝኾነ መልክዑ ካብ ሓደ ጫፍ ናብቲ ካልእ ጫፍ ዝተቐየረት። \"ፖሊስ ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ'ዮም ሒዞምኒ፤ እንተዘሳቕዩኒ ነይሮም ድሕረይ ዝህሉ ሸውዓተ ትውልዲ ንመንግስቲ ኢንዶኖዢያ እናተቓወመ ክነብር ነይሩ'ዩ። ፖሊስ ሰይጣን መሲሉ ስለ ዝስመዓኒ ብጣዕሚ'የ ዝጸልኦም ነይረ። ከምኡ ኢና ተማሂርና። እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ኣይጸንሐንን። ሽዑ፡ ኩሉ ኣተሓሳስባይ ተቐይሩ\"። ግዳያት እቲ ኣሕዋቱ ዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ቦንባ'ውን ረኺቡዎም'ዩ። \"በኽየ። በሰላ እቲ ዝፈጸምናዮ መጥቃዕቲ ክሓስቦ ከለኹ ልበይ ደምዩ። ነዚ'የ ወኪል ኲናት ካብ ምዃን ወተሃደር ሰላም ክኸውን ኣለኒ ኢለ ወሲነ\"። ዓሊ ፋውዚ፡ ኣብ 2016 ሰባት ካብ ጥሩፍነት ንምውጻእ 'ማእከል ሰላም' ዝሰመዮ ፕሮጀክት ህንጸት ሰላምን ምምላስ ናብ ኣሸበርቲ ጉጅለታት ዝጽምበሩ ሰባትን ጀሚሩ። ኣብዚ፡ ግዳያት መጥቃዕታት ቦንባ፣ ፖሊስን ካልኦትን ሰባትን ተራኺቦም ናይ ተሞኩሮ ልውውጥ ይገብሩ። ዛንታ ግዳይ መጥቃዕቲ ቦንባ ዝኾነ ሰብ ክሰምዑ ከለው ብንብዓት ይሕጸቡ፤ ውሽጦም ይደሚ፣ ይቖስል። ወዲ 33 ዓመት ዙሊያ ማሄንድራ፡ ቆልዓ እንከሎ ወላዲ ኣቡኡ ተኣሲሩ፣ ሞት ፍርዲ ተፈሪዱዎ ጸኒሑ ድማ ብምኽንያት መጥቃዕቲ ቦንባ ባሊ ክቕተል ተፈሪዱ። ማሄንድራ፡ ኣብዚ ዓሊ ፋውዚ ዘጣየሶ ማሕበር ተረኺቡ ንኽልተ ግዳያት እዚ መጥቃዕቲ ቦንባ ረኺቡ ይቕሬታ ሓቲቱዎም'ዩ። \"ኣነ ስለ ዝተጋገኹ ዘይኮነ፡ ኣቦይ ብዝፈጸሞ ገበን ግን ይቕሬታ ክብል ኣለኒ። ስልኡ ይቕሬታ ክሓትት ሓላፍነት ኣለኒ\" ይብል። ማሄንድራ ንርእሱ ተቐይሩ እዩ። \"ኣቦይ ምስ ተቐተለ ሕነ ክፈዲ ደልየ ነይረ። ቦንባ ከመይ ከም ዝስራሕ ክመሃር ደልየ'የ። ዓሊ ፋውዝን ዓሊ ኢሞርን ምስ ረኸቡኩዎም ግን፡ ዝሓስቦ ዝነበርኩ ጌጋ ምዃኑ ተረዲአ። ድሓር፡ ካልኦት ኣሸበርቲ ንክቕይር ናብቲ ዝጀመሩዎ ፕሮጀክት ተጸምቢረ\" ይብል። ሕዚ ናብ ዘለወሉ ኣተሓሳስባ ንክመጽእ ብዙሕ ግዜ ከም ዝወሰደሉ ይዛረብ። ግን ድማ ኣቦ ሓደ ቆልዓ እዩ። ስለ ዝኾነ፡ \"ወደይ ኣነ ዝሓለፍኩዎ ህይወት ክሓልፍ ኣይደልን። ኣሰር ኣቦይ እንተስዒበ፡ ወደይ ተነጽሎ ክገጥሞ እዩ። እቲ ትኽክለኛ ጅሃድ ንደቅኻ ጽቡቕ መርኣያ ክትኸውን ከም ዘለካ እዩ ዝምህር\" ኢሉ። ግን ድማ፡ ብዙሓት ምስ ኣሸባሪ ጉጅለ ዳዕሽ ርክብ ዘለዎም ኣብ ማሊዥያ ናብ ዘለው ዕጡቓት ጉጅለታት ኣትዮም'ዮም። \"ሰባት ከምዚ ዓይነት ኣንፈት ዝመርጽሉ ብዙሕ ምኽንያት ኣሎ። ቑጠባዊ ዓቕሚ፣ ክሰርሑዎ ዝኽእሉ ነገር ዘይምህላዩ፣ ዝመሃሩዎን ዝጸልዎምን ነገር ኩሉ፡ ናብኡ ይደፍኦም\"። ዓሊ ፋውዚ፡ ነዚ ነገር ንምቅላስ ምስ ፖሊስ ብምትሕብባር እዩ ዝሰርሕ። ግን ድማ፡ ካብ ህዝቢ እምነት ዝስእነሎም መዓልታት ውሑዳት ኣይኮኑን። \"እምነት ዘይብለይ'ዩ ዝመስሎም። ብማሕበራዊ ሚዲያ ኾነ ብቴሌፎን መጥቃዕትን ምፍርራሕን ይበጽሐኒ'ዩ። ካብ 2016 ምሳይ ካብ ዝሰርሑ 98 ሰባት እቶም ክልተ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጽኡ፡ ብቐጥታ ናብቲ ዕጡቕ ጉጅለ ከይዶም። ናይ ሰባት ስምዒትን ኣተሓሳስባን ክተሕዊ ክትጽዕር ከለኻ ቀሊል ኣይኮነን። ትኽክለኛ መድሓኒት ክንህቦም ኣለና\" ይብል። ሱማሮኖ፡ ካብቶም ሰመሚሩሉ ዝቐየሮም መናእሰይ ሓደ እዩ። ድሕሪ መጥቃዕቲ ቦንባ ባሊ፡ ኣብ ሓደ በረኻ ናይ ዕጡቕ ጉጅለ ጄማህ ኢስላሚያህ ዝኾነ ኣጽዋር ሒዙ እዩ ረኺቡዎ። ንሰለስተ ዓመት ተኣሲሩ ምስ ወጽአ፡ ዓሊ ፋውዚ ንኡሽቶ ናይ ንግዲ ስራሕ ከቕዉም ሓጊዙዎ። በዚ ናብ መካ ሃይማኖታዊ ጉዕዞ ንምግባር ዝኸዱ ሰባት ጉዕዞ ዘመቻቹ ናይ ጉዕዞ ወኪል ከፊቱ። \"ሕዚ ንማሕበረሰበይ ክክሕስ እየ ዝደሊ\" ይብል። መጀመርታ እንታይ ዓይነት ታሪክ ከም ዝነበሮ ንሰባት ምዝራብ የስግኦ ነይሩ። ሕዚ ግን፡ ታሪኹ 'ታሪኽ ድሕነት' ይብሎ። \"ብጻይ እቶም መጥቃዕቲ ቦንባ ባሊ ዝፈጸሙ'የ ይብሎም። ኣባል እቲ ጉጅለ'ኳ እንተነበርኹ፡ ኣላህ ይመስገን ግን ካብቲ ጥፍኣት ድሒነ መገዲ መካ ይሕብረኩም ኣለኹ ይብሎም\"። ዓሊ ፋውዚ ብዘበገሶ ፕሮጀክት፡ ስድርኦም ብግብረ ራዕዲ ተኸሲሶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ህጻናት ኣኪቡ ቑርዓን ይምህር ኣሎ። በዓልቲ ቤቱ ሉላ ፋውዚ፣ ንኣሊ ኢምሮን ዝተመርዓወት ዙምሮቲን ኒሳ መመሃራን እየን። \"ኩሉ ሰብ ሓደ ኣይነት እምነት ከም ዘይብሉ ኢና ንነግሮም\" ትብል ሉላ። \"ኣብ ውሽጢ ሕብረሰተብና ኣስላማይ ዘይኮነ ሰብ ከም ዘሎ ንነግሮም፤ ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ናይ ካልኦት ሰባት እምነት ከይኣተው ብማዕረ ክቕበሉዎም ከም ዘለዎም ነትሕዞም\"። ግን ድማ፡ ኩሉ ነዚ ኣሚኑ ከም ዘይቕበል ትዛረብ። \"ኣንጻር እቲ ደው ዝበልናሉ ዕላማ ዝኸዱ ኣለው። መጥቃዕቲ ቦንባ ባሊ ክፍጸም እንከሎ መብዛሕትኦም እስላም እዮም ሞይቶም። ግን ሕዚ'ውን ካብዚ ናይ ጥሩፍነት ኣተሓሳስባ ዘይተቐየሩ ስለ ዘለው፡ ሓያል ቃልሲ ክሓተና እዩ\" ትብል። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ግንቦት፡ ሓደ ስድራ ኣብ ሰለስተ ኣብያተ ክርስቲያን መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ይዝከር። እዚ ስድራ፡ ብውሑድ ምስ ኣይኤስ ርክብ ኣለዎ ምስ ዝበሃል ጉጅለ ጃማህ ኣንሻሩት ዳውላህ ርክብ ዝነበሮ እዩ። እዚ ጉጅለ፡ ኣብ ኢንዶኔዥያ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታን ተኸተልቲ ካልኦት እምነታትን መጥቃዕታት ዝፍጽም እዩ። ኣብ ቀረባ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ላዕለዋይ ናይ ጸጥታ ሓላፊ እታ ሃገር ናይ ካራ መጥቃዕቲ ፈጺሙ። ዓሊ ፋውዚ፡ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ልኡኽ ከውጽኦም ቴሌፎን ዝድውልሉ ብዙሓት እዮም። \"ካብዚ ሕብረተሰብ ወጺኦም ኣብ ሶርያን ዒራቕን ምስ ኣይኤስ ክዋግኡ ዝኸዱ ብዙሓት ኣለው። እዚ ንኢንዶኔዥያ ዓብዪ ስግኣት እዩ። ምስቲ ሕብረተሰብ ብቐረባ እንተሰሪሕና ግን፡ እዚ ኲናት ክንዕወተሉ ኢና ኢለ ተስፋ ይገብር\" ይብል።","category":"CATEGORY_FIVE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52829967"} {"headline":"ኢንዶነዥያ፡ ንደቂ-ኣንስትዮ ንመርዓ ዝዝርፉ ደሴት","content":"ምጭዋይ መርዑት ሓደ ኣዘራራቢ ስርዓት ኮይኑ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብሰብኡት ኣባላት ስድራ ቤተን ወይ ከኣ አዕሩኽ ኣንስቶም ንክኾና ብሓይሊ እናተዘርፋ ስቕ ኢሉ ዝዕዘብ ልምዲ እዩ። እዚ ልምዲ፡ ኣብ ርሑቕ ደሴታት ኢንዶነዥያ፡ ኣብ ምብራቕ በይል፡ ብገለ ክፋል ማሕበረሰብ ሱምባ፣ ይቕጽል ኣሎ። ክልተ መርዑት ድሕሪ ምጭዋየን፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ብተንቀሳቓሲ ስእሊ ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ እቲ ማእከላይ መንግስቲ እቲ ዝጸንሐ ልምዲ ጠጠው ክብል ጸዊዑ። ጭውያ እተን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ብዘስዓቦ ሃገራዊ ክትዕ፡ እዚ ኣብ ርሑቕ ደሴታት ሱምባ ዝካየድ ልምዲ ከብቅዕ ሓለፍቲ ኢንዶነዥያ ቃል ኣትዮም። ሲትራ (ንክብራን ድሕነታን ስማ ዝተቐይሩ ኣሎ)፡ ክልተ ናይቲ ከባቢ ሓለፍቲ ኢና ዝብሉ ሰባት፡ ንሲትራ ነቲ ብሓገዝ ትካላት ናይቲ ከባቢ እተካይዶ ዝነበረት ፕሮጀክት ክንርኢ ኢና ኢሎማ። እታ ጓል 28 ዓመት መንእሰይ ንበይና ክትከይድ ስክፍታ እኳ እንተነበራ፡ ናይ ስራሕ ኣኼባ ስለዝመሰላ ተቐቢላቶም። እቶም ሰብኡት ግን እቲ ኣኼባ ኣብ ካልእ ቦታ ከምዝኾነን ብመኪናኦም ምሰኦም ክወስድዋን ሓቲቶማ። ንሳ ግን “ደሓን ብሞተር ሳይክለይ ክኸይድ እየ” ኢላ፡ ንሞቶርሳይክላ ከተበግስ ምስ ጀመረት፡ ብሃንደበት ካልኦት ጉጅለ ሰብኡት በእዳዋ ሒዞማ። “ኣብ መኪናኦም ጎቲቶም ከእትዉኒ እንከለዉ ይቃለሶምን የእውን ነይረ። ዝሕግዘኒ ግን ኣይነበረን። ብኣንጻሩ ክልተ ሰብኡት ጸቒጦም ሒዞሙኒ” ትብል። ሽዑኡ “እንታይ ይካየድ ከም ዝነበረ ፈሊጠ ነይረ” ድማ ትብል። ንኽምርዓውዋ እዮም ሒዞማ። ምጭዋይ\/ምዝራፍ መርዓት፡ ወይ ከኣ 'ካዊን ታንግካብ'፡ ማለት ኣብ ሱምባ፡ ደቂ ኣንስትዮ በተን ክምርዓውወን ዝደልዩ ኣባላት ስድራ ቤት ወይ አዕሩኽቲ ንኽምርዓዋ ዝጭወያሉን፡ ብዛዕባ ኣመጻጽኣኡ ብዙሕ ዘዛርብን ኣካታዒ ልምዲ እዩ። ሽሕ’ኳ ካብ ነዊሕ ጀሚሩ ብተሓለቕቲ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ጠጠው ክብል ጻውዒት ይግበር እንተነበረ፡ ኣብ ገለ ገለ ክፍላት ናይ ሱምባ፡ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ደሴታት ኢንዶነዥያ ኣብ ምብራቕ በይል ግን ክሳብ ሕጂ ኣሎ። እንተኾነ ክልተ መርዑት ድሕሪ ምጭዋየን፡ እቲ ፍጻሜ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ብተንቀሳቓሲ ስእሊ ብሰፊሑ ምስተዘርገሐ፡ እቲ ማእከላይ መንግስቲ ነቲ ዝጸንሐ ልምዲ ጠጠው ክብል ጸዊዑን ተማሕጺኑን። “ዝመውት ዘለኹ ኮይኑ ተሰሚዑኒ” ሲትራ ኣብ ውሽጢ እታ መኪና ኮይና፡ ቅድሚ ናብቲ ነዊሕ ናሕሲ ዘለዎ ባህላዊ ገዛ ምብጻሓ፡ ናብ ኣፍቃሪኣን ስድራኣን መልእኽቲ ክትሰድድ ክኢላ። እቶም ዝጨወዩዋ ሰባት ከኣ ብናይ ወገን ኣቦኣ ዝኾኑ ናይ ሩሑቅ ኣዝማድ ምዃኖም ተገንዚባ። “ኣብቲ ቦታ ብዙሓት ሰባት ይጽበዩ ነይሮም። ኣብኡ ምስ በጻሕኩ ከኣ ብበትሪ ዝህረም ጎንጎ ዝበሃል ጸወታ ገይሮም፡ ስርዓታቶም ክገብሩ ጀሚሮም።” ኣብ ሱምባ፡ ማዕረ ማዕረ ናይ እምነት ክርስትናን ምስልምናን፡ ጥንታዊ እምነት ነፍሳውነት ማራፑ ዝበሃል እውን ኣሎ። መናፍስቲ ነዛ ዓለም ንክሕልውዋ ከኣ ብበዓላትን መስዋእትታትን ከም ዝሕጎሱ ይግበር። “ኣብ ሱምባ፡ እቶም ህዝቢ፡ ኣብ ግንባርካ ማይ ኣንተደኣ ተንኪፉካ፡ ነቲ ገዛ ገዲፍካዮ ክትከይድ ኣይትኽእልን ኢኻ ዝብል እምነት ኣለዎም፡” ትብል ሲትራ። “እንታይ ይካየድ ከም ዝነበረ ኩሉ ይፈልጥ ነይረ፡ ስለዚ ነቲ ናይ ማይ ስርዓት ክገብሩ ምስ ጀመሩ፡ መታን ግንባረይ ከይትንክፈኒ ገጸይ ስለዝኸወልኩ ኣይተተንከፍኩን።” ጨወይታ\/ዘረፍታ፡ እቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ካብ ፍቕሪ ዝተላዕለ ከም ዝኾነ ብተደጋጋሚ ይነግርዋ ነይሮም፡ ንጠለብ መርዕኦም ክትቅበል ከእምንዋ ከኣ ይፍትኑ ነይሮም። “ጎሮሮይ ክሳብ ዝነቅጽ ይበኪ ነይረ። ብሕርቓን ኣብ መሬት ጻሕ ኢለ ወዲቐ። በቲ ዝሓባእኩዎ መፍትሕ ሞተርሳይክል ከብደይ ክሳብ ዝቖስል ንከብደይ ይወግኦ ነይረ። ንርእሰይ ከኣ ምስቲ ዓንድታት የጋጭዎ ነይረ። መታን ክርህርሁልይ ነቲ ተግባር ከም ዘይደለኹዎ ከረድኦም ፈቲነ” ግን ኣይሰለጣን። ንሽድሽተ መዓልታት ዝኣክል ከም እስርቲ ኣብቲ መንበሪ ገዛ ተዓጽያ፡ ኣብኡ ትድቕስ ነይራ። “ምሉእ ለይቲ ብብኽያት ኣይደቀስኩን። ዝመውት ዘለኹ ኮይኑ ተሰሚዑኒ።” ሲትራ፡ በቲ ዝህብዋ ዝነበሩ መግብን መስተን ከይስርይዋ ኢላ ምብላዕን ምስታይን ኣብያ፡ “መግቦም ምብላዕ ማለት ንመርዕኦም ኣሜን ኢልካ ምቕባል ማለት እዩ።” ስድራኣ፡ ብሓገዝ ጉጅለ መሰል ደቀንስትዮ፡ ምስ ዓበይቲ ዓድን፡ ስድራ እቲ ክምርዓዋ ዝደሊ ዘሎን እናተላዘቡ እንከለዉ፡ ሓፍታ ብሕቡእ ዝብላዕን ዝስተን ትሰድደላ ነይራ። ንኽትላዘብ ባይታ የብልካን ጉጅለ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ፐሩዋቲ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ሸውዓተ ናይ መርዑት መጭወይቲ ከም ዝሰነደ ክገልጽእ እንከሎ፡ ኣብቲ ርሑቕ ከባቢታት ናይታ ደሴት ብዙሕ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ከም ዝፍጸም ይኣምን። ሲትራ እትርከበን ከኣ ካብቲ ዘጋጠመን መጭወይቲ ነጻ ኮይነን። ካብተን ኣብ ሰነ ጸገመን ብማሕበራዊ መራኸቢታት ብተንቀሳቓሲ ስእሊ ካብ ዝተራእያ ክልተ ጎራዙ፡ እታ ሓንቲ ነቲ መርዓ ቀጺላቶ። “ግን ኣብኡ ክቕጽላ ዝወሰናሉ ምኽንያት ካልእ ምርጫ ስለዘይነበረን እዩ፡” ትብል ናይ ፐሩዋቲ ዋና ሓላፊት ኣባል ምንቅስቓስ ኣፕሪዛ ታራናው። “ሓደ ሓደ ግዜ ካዊን ታንግካብ ንደቂ ኣንስትዮ ዘየሳትፍን፡ ናይ መርዓ መደባተን ዝሕንጽጽ ኣገባብ እዩ። ንሳ፡ እተን ካብዚ ክወጽኣ ዝኸኣላ፡ ኩሉ ግዜ ካብቲ ሕብረተ ሰብን ጠቀነን ምንሻውን የጋጥመን ኢላ። “ንሳተን ከም ውርደተኛታት ይሕሰባን፡ ድሕሪ ሕጂ ከኣ ክምርዓዋን ክወልዳን ኣይክእላን ይብልወን። ካብ ከምዚ ዓይነት ተነጽሎ ብምፍራሕ ከኣ ኣብኡ ክቕመጣ ይመርጻ” ብምባል ትውስኽ። እቲ ንሲትራ ዘጋጠማ ከኣ እዚ እዩ። “ኣምላኽ ይመስገን ኣነ ሕጂ ንኣፍቃርየይ ተመርዕየ ወዲ ሓደ ዓመት ህጻን ከኣ ኣለና፡” ትብል ሲትራ፡ ብዓቢ ፍሽኽታ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ናይቲ መከራኣ። ነዚ ልምዲ ዘይሕጋዊ ናይ ምግባር መብጽዓታት ወዲ እታ ዓዲ ዝኾነ ምሁር ታሪኽን ጭቃ ዓድን ፍራንስ ዎራ ሄቢ፡ እዚ ልምዲ እዚ ክፋል ናይ ሃብታም ዝኾነ ባህሊ ሱምባ ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ በቶም ብዘይ ሳዕቤን ንደቀንስትዮ ክምርዓዉ ዝደልዩ ሰባት ዝፍጽምዎ ተግባር’ዩ ይብል። ንሱ ደጊሙ፡ ብመራሕቲ ሕግን ሰበ ስልጣንን ተሪር ስጉምቲ ክውሰድ ዘይምኽኣሉ ከኣ እዚ ተግባር ይቕጽል ኣሎ ይብል። “ኣንጻሩ ዝኾኑ ሕግታት የለዉን፡ እንታይ ደኣ ሓደ ሓደ ግዜ ኣንጻር እቶም ነዚ ተግባራት ዝፍጽሙ ማሕበራዊ መግናሕትታ ድኣ’ምበር፡ ሕጋውን ባህላውን መዕገቲታት የለዉን።” ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ጻውዒትን ጸቕጥታትን፡ እቶም መራሕቲ ዞባ ሱምባ፡ ኣብ መጀመርያ ናይዚ ወርሒ፡ ነቲ ልምዲ ዝኹንን ሓባራዊ ኣዋጅ ብኽታሞም ኣጽዲቖም። ናይ ዊመንስ ኤምፓወርመንት ሚኒስትሪ ቢንታንግ ፑስፓዮጋታ ከኣ ኣብዚ ኣጋጣሚ ንምስታፍ፡ ካብታ ርእሲ ከተማ ጃካርታ ናብዛ ደሴት በሪራ። ድሕሪ እቲ ፍጻሜ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ “እዚ ዘሚትካ ተመርዖ ዝብል ልምዲ ሓቀኛ ባህሊ ክፋል ናይ ሱምባ ከም ዘይኮነ፡ ካብ መራሕቲ ቤት ፍርድን፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ሰሚዕና” ኢላ። እዚ ኣዋጅ እዚ ከኣ ነዚ ከም ዓመጽ ኣንጻር ደቂ ኣንስትዮ ተባሂሉ ዝተገልጸ ደው ንምባል፡ ፈላሚ መጠነ ሰፊሕ ጻዕርታት ናይ መንግስቲ ምዃኑ ቃል ኣትያ። ተጣበቕቲ መሰላት ነዚ ተበግሶ ሓንጎፋይ ኢሎም ድሕሪ ምቕባል፡ “ኣብ ነዊሕ ጉዕዞ ፈላሚ ስጉምቲ” ክብሉ ገሊጾሞ። ሲትራ፡ ነዚ ተግባር እዚ መንግስቲ ቆላሕታ ሂቡ ክሰርሓሉ ብምጅማሩ ሓጎሳ ድሕሪ ምግላጽ፡ ከም ውጽኢቱ ከኣ በቲ ንሳ ዝሓለፈቶ ጉዕዞ ማንም ከይሓልፍ ዘለዋ ተስፋ ሓቢራ። “ንገሌና፡ እዚ ምናልባት ካብ ኣበሓጎታትና ዝወረስናዮ ልምዲ ይኸውን። ይኹን ደኣ እምበር፡ እዚ ግዜኡ ዘሕለፈን ንደቂ ኣንስትዮ ጎዳኢ ዝኾነን ተግባር ናይ ግድን ደው ክብል ኣለዎ።” *ስም ሲትራ ንመንነታ ንምክልኻል ተቀዪሩ ኣሎ።","category":"CATEGORY_FIVE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53705042"} {"headline":"ኢንዶኔዥያ፡ ሬሳ ህጻን ክወስዱ ሆስፒታል ዘጻበቡ ሞተረኛታት","content":"ብምኽንያት ዘይተኸፈለ ሕሳብ ካብ ሆስፒታል ከይወጽእ ተኸልኪሉ ዝነበረ ሬሳ ሓደ ህጻን ንቤተሰቡ ክርከብ ብምጥላብ ነቲ ሆስፒታል ዘጨናነቑ ሞተረኛታት፡ ነቲ ተግባሮም ''ሰባዊ ተልእኾ'' ክብሉ ገሊጾሞ። ኣብቲ ከባቢ ዝተቐድሐ ምስሊ፡ ብዙሓት ሰባት፡ ሬሳ ህጻን ኣሊፍ ፑትር ምስ ዝሓቖፈ ሰብኣይ፡ ካብቲ ሆስፒታል እንትወጹ የርእይ። ኣብ እስልምና ሰብ ምስሞተ ቀልጢፉ ቀብሪ ክፍጸም ኣለዎ። እንተኾነ፡ እቲ ሆስፒታል ኤም ጃሚል ግን ወጻኢታት እቲ ሽዱሽተ ወርሒ ዝዕድሚኡ ህጻን ኣሊፍ እንተዘይከፊሎም ወሲዶም ከምዘይቐብርዎ፡ ንቤተሰቡ ነጊርዎም። ነዚ ዝሰምዑ ሞተረኛታት እቲ ሆስፒታል ነቲ ሬሳ እቲ ህጻን ክወጽእ ንምጥላብ ናብቲ ሆስፒታል ውሒዞም እቲ ህጻን ወዱ ንሓደ ካብ መሳርሕቶም ስለዝኾነ እዮም ከምኡ ክገብሩ ክኢሎም። ዋርድያንሳህ ካብቶም ኣብቲ ሰልፊ ዝተረኸቡ ሞተረኛታት ሓደ እዩ። ''እቶም ቤተሰብ፡ 25 ሚልዮን ሩፒ (ከባቢ 1800 ዶላር) እንተ ዘይከፊልኩም፡ ነቲ ሬሳ ኣይትወስዱን ክምዝተብሃሉ ምስ ሰማዕና ኢና ነቲ ስጉምቲ ወሲድና'' ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ''እቶም ኣባላት ጸጥታ ክኽልክሉና ፈቲኖም ነይሮም፡ ግን ብዙሓት ስለዝነበርና ሂቦሙና'' ኢሉ። ነቲ ኩነታት ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስተቓልሐ፡ ሕክምናዊ ወጻኢታት ክኸፍሉ ዘይክእሉ ቤተሰባት ክተኣናገዱሉ ዝግበኦ መገዲ ኣመልኪቱ ከም ብሓዱሽ ክርክር ተላዒሉ እዩ። ተመሳሳሊ ተርእዮታት ኣብ ብዙሓት ትካላት ጥዕና እታ ሃገር ተራእዩ ምንባሩ'ውን ተፈሊጡ። ነዚኦም ዓይነታት ጸገማት ክፈትሕ ዝተብሃለሉ ሕክምናዊ ውጥን እኳ ተጀሚሩ እንተኾነ፡ ብሕጽረት ፋይናንስ እኹል ግልጋሎት ከምዘይህብን ብዙሓት ድኻታት'ውን ከምዘይምዝገቡን ይግለጽ። ኣዶ እቲ ህጻን፡ ደዊ ሱርያ፡ ኣብቲ ሕክምናዊ ውጥን ናይ ምምዝጋብ ከይዲ ጀሚሮም ከም ዝነበሩን፡ ኣብ መንጎ ግን ኣሊፍ ከምዝሓመመን ትገልጽ። መጥባሕቲ ተገይሉ ነይሩ፤ ግን ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ሞይቱ። ''እቲ ሆስፒታል እቲ ወጻኢ ክንከፍል ደልዩ፤ ነቲ ከይዲ ድማ ኣጓቲቶምዎ'' እትብል ሱርያ ዳሓር ግን እቶም ዝተቖጥዑ ሞተረኛታት ብሓይሊ ከምዝወሰድዎ እናነብዐት ትዛረብ። እቲ ሆስፒታል ድማ ነቲ ተግባር ይቕረታ ብምሕታት ካልኣይ መዓልቲ ከምዘይድገም ገሊጹ። ዳይረክተር ዩሲርዋን የሱፍ፡ እቲ ወጻኢታት እቲ ህጻን በቲ ቦርድ እቲ ሆስፒታል ከምዝተሸፈነን እቲ ኣጋጣሚ ብዘይምርድዳእ ከምዝተፈጠረን ገሊጹ። ብዛዕባ እቲ ኩነታት እቶም ስድራ ድሕሪ ዘቕረብዎ ቕረታ ከምዝፈለጡን እቶም ሞተረኛታት ዝወሰድዎ ስጉምቲ ግን ኣግባብነት ዘይብሉን ሓደገኛ ምዃኑን ገሊጹ።","category":"CATEGORY_FIVE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50519737"} {"headline":"ኢንዶነዢያውያን ቅድሚ ሓዳር ጾታዊ ርክብ ንዝኽልክል ሓድሽ ሕጊ ተቓውሞ የስምዑ ኣለው","content":"ፖሊስ ኢንዶነዢያ፡ ቅድሚ መርዓ ዝፍጸም ጾታዊ ርክብ ዘክልክል ሓድሽ ሕጊ ብምቅዋም ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ዝወጹ ሰባት መንብዒ ጋዝ ከም ዝተኮሰን መበተኒ ኣድማ ማይ ከም ዝነጸገን ተሓቢሩ። እቶም ተቓወምቲ ኣብ ከተማ ጃካርታ ናብ ዝርከብ ባይቶ'ታ ሃገር ብምኻድ ተቓውሞ ዘስምዑ ኮይኖም፡ ኣብ ካልኦት ከተማታት'ውን ተመሳሳሊ ተቓውሞ ተላዒሉ'ሎ። ሓድሽ ሕጊ ኢንዶነዥያ፡ ምንጻል ጥንስን ንፕረዚደንት ምጽራፍን ሕጋውነት ከም ዘይብሎም ይድንግግ። ዛጊት ግብራዊ'ኳ እንተዘይኮነ፡ ተቓወምቲ ግን፡ ባይቶ'ታ ሃገር ምናልባት ብሃንደበት ከጽድቖ ይኽእል'ዩ ብዝብል ተቓውሞ የስምዑ ኣለዉ። ኣዘራራቢ ረቂቕ ሕጊ እቲ ረቂቕ ሕጊ ዝስዕቡ ነጥብታት ይርከብዎ፡ እቲ ረቂቕ ሕጊ ሰሉስ ድምጺ ክወሃበሉ ተሓሲቡ ዝነበረ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ናይታ ሃገር ጆኮ ዊዶዶ ግን ናብ ዓርቢ ኣናዊሕዎ'ሎ። ሰባት ንምንታይ ይቃወሙ ኣለዉ? ዛጊት ግብራዊ'ኳ እንተዘይኮነ፡ ተቓወምቲ ግን፡ ባይቶ'ታ ሃገር ምናልባት ብሃንደበት ከጽድቖ ይኽእል'ዩ ብዝብል ተቓውሞ የስምዑ ኣለዉ። ተቓወምቲ፡ ምጽዳቕ ናይቲ ረቂቕ ሕጊ፡ ኣብ ቃልሲ ብልሽውና ቀንዲ መሳርሒ ንዝኾነ ኮሚሸን ምውጋድ ብልሽውና ዘዳኽም ምዃኑ ብምግላጽ ቁጠዐኦም ይገልጹ ኣለዉ። ሎሚ ሰሉስ በዝሒ ተመሃሮ ዝርከብዎም ተቓወምቲ ናብ ጎደናታት ዝተፈላለያ ከተማታት ኢንዶነዥያ ብምውጻእ ሰልፊ እናካየዱ እዮም። ፖሊስ ካብ ተቓወምቲ ንዝድርበየሉ ኣእማን ግብረመልሲ፡ መንብዒ ጋዝን ኣድማ መበተኒ ማይን ይጥቀም ኣሎ።","category":"CATEGORY_FIVE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49821900"} {"headline":"ቦይንግ፡ ንስድራ ግዳያት ሓደጋታት ማክስ 8 ነፈርቲ ክኽሕስ'ዩ","content":"ኩባንያ መፍረዪ ነፈርቲ ቦይንግ፡ ንቤተሰብ ግዳያት ሓደጋ ቦይንግ 737 ማክስ 8 ነፈርቲ መንገዲ ኣየራት ኢንዶነዥያን ኢትዮጵያን ሓደ ሚእቲ ሚልዮን ዶላር ክክሕስ ምዃኑ ኣፍሊጡ እዚ ገንዘብ፡ ክልቲኦም መገዲ ኣየራት ብዘጋጠሞም ሓደጋ ናይ ዝሞቱ 346 ስድራ ግዳያት ዝወሃብ'ዩ። እዚ ገንዘብ፡ ስድራ ግዳያት ብቤት ፍርዲ ንዘቕረቡዎ ኽሲ ዘይኮነ፡ እቲ ትካል ካብ ከይዲ'ቲ ፍርዲ ወጻእ ዘቕረቦ ክፍሊት'ዩ። እዚ ኣብ ነዊሕ እዋን ክኽፈል ዝተብሃለ ካሕሳ ገንዘብ፡ ናይ ትምህርትን ካልኦት ወጻኢታቶምን ንምሽፋን ዝውዕል ምኻኑ ቦይንግ ሓቢሩ። ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ ዘጋጠመ ሓደጋ ምሕምሻሽ ነፋሪት፡ ቦይንግ ማክስ 737፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ብርክት ዝበላ ሃገራት ካብ በረራ ኣጊደንኦ'የን። ዋንነት መገዲ ኣየር ኢንዶኖዢያ ዝኾነ ቦይንግ ማክስ 737፡ ናብ ጃካርታ ኣብ ዝተበገሰሉ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ሓደጋ ምሕምሻሽ ኣጋጢሙዎ። ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዕድመ ዝገበረ ዝተብሃለ ዋንነት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነ ተመሳሳሊ ፍርያት ድማ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኬኒያ ኣብ ዝበረሉ እዋን ተሓምሺሻ። መርመርቲ እዞም ሓደጋታት፡ ኣብ ስርዓት ምቁጽጻር ብምትኳሮም፡ ቦይንግ እዚ ሶፍትዌር ኣብ ምምሕያሽ ክሰርሕ ጸኒሑ። እንተኸነ፡ ቦይንግ ማክስ 737 መዓዝ'ዩ ዳግም በረራ ዝጅምር ዝብል ንጹር ኣይኮነን። ቦይንግ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ገንዘብ \"ስድራ ግዳያት ንትምህርቲ፣ ካብ ጸገም ንምውጻእ ከምኡ'ውን ግዳያት እቲ ሓደጋ ዝኾኑ ስድራ ዕለታዊ ወጻኢኦም ንምሽፋንን ንቑጠባዊ ልምዓትን ዝውዕል'ዩ። ቦይንግ እዞም ጉዳያት ንምፍታሕ፡ ምስ መንግስታውን ምንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላትን ብሓባር ክሰርሕ'ዩ። እዚ ናይ መበገሲ ኢንቨስትመንት ድማ ኣብ ቐጸልቲ ሰለስተ ዓመታት ግብራዊ ክኸውን'ዩ\" ኢሉ። ቦይንግ፡ ብስድራ ግዳያት ሓደጋታት መገዲታት ኣየር ኢትዮጵያን ኢንዶኖዢያን ብዙሓት ክስታት ተመስሪትሉ'ዩ። እቲ ኩባኒያ ድማ፡ ሽሕ'ኳ እቶም ስድራ ግዳያት ንክሰማምዑ ድሉዋት እንተዘይኮኑ፡ ምስ ስድራ ግዳያት ብምልዛብ ብስምምዕ ክውድኦን ገንዘብ ንክኸፍልን ይዘራረብ ኣሎ።","category":"CATEGORY_FIVE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48861731"} {"headline":"ኣብ ልዕሊኣ ፆታዊ ትንኮያ ንዝፈፀመ ሓለቕኣ ብምቅልዓ ዝተኣሰረት ሰበይቲ","content":"ሓንቲ ኢንዶኖዥያዊት ሓለቕኣ ኣብ ልዕሊኣ ንዝፍፅሞ ፆታዊ ትንኮያ ንምቅላዕ፡ ናይ ስልኪ ዝርርቦም ብምቕዳሕ ዕላዊ ብምግባራ፡ ንሽድሽተ ኣዋርሕ ክትእሰር ተፈሪዳ። እዛ ባይቅ ኑሪ ማንኩን ዝተብሃለት ሰበይቲ፡ ናብ ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ኢንዶኔዥያ ይግባይ እንተበለት'ውን ሰማዒ ኣይረኸበትን። እኳድኣስ እቲ ቤት-ፍርዲ\"ጭውነት ዝጎደሎ ድምፂ ብምልባዕ\" ጥፍኣተኛ ዝበላ እንትኸውን፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል ግን ንውሳነ እቲ ቤት-ፍርዲ ኮኒነምዎ። ውሳነ እቲ ቤት-ፍርዲ፡ ፆታዊ ጥቕዓት ኣብ ልዕሊ ዝተፈፀመን ደቂኣንስትዮ ፅዕንቶ ዘሕድር ከምዝኾነ ብምግላፅ፡ ተሓለቕቲ ተቓውመኦም የስምዑ ኣለዉ። እቲ ውሳነ ኣብ መላእ ኢንዶኔዥያ'ውን ቁጠዐ ፈጢሩ ኣሎ። ዋና ሓላፊ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል 'ሌጋል ኤይድ ፋውንዴሽን ፎር ዘ ፕረስ' ኣዴ ዋሃዲን፡ \"እዚ ውሳነ፡ ጥቕዓት ዝፍፅሙ ውልቀሰባት፡ ንግዳያት ጥፍኣተኛታት ንምግባር በሪ ዝኸፍት እዩ ዝብል ስግኣት ኣለና\" ክብሉ ንሮይተርስ ተዛሪቦም። ባይቅ ትሰርሐሉ ኣብ ዝነበረት ቤት-ትምህርቲ ዝርከብ ሓላፊ፡ ፆታዊ ትንኮያ ከምዘብፅሐላ ብተደጋጋሚ ተዛሪባ እያ። ዘየድሊ እናሃለወ፡ ቴሌፎን ይድውለላ ከምዝነበረ እውን ገሊፃ። ነዚ ድማ እዩ፡ ስልኪ ክድውለላ እንከሎ፡ ድምፁ ንክትቀድሕ ዝወሰነት፤ እቲ ሓለቕኣ ብስልኪ ዝተፈላለዩ ፆታዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ዝርርባት ተዛሪቡ ነይሩ። ቅዳሕ እቲ ድምፂ ብሰራሕተኛታት እቲ ቤት-ትምህርቲ ተላቢዑ፡ ናብ ትካላት ትምህርትን ዋና ቤትፅሕፈትን ንክወሃብ ተገይሩ እዩ። በዚ ኣየብቅዐን፡ ናይቲ ሓለቓ ጉድ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሑ፤ እቲ ሓላፊ እውን ካብ ስራሕ ተሰጒጉ። ካብ ስርሑ ተባሪሩ ግን ስቕ ኣይበለን፤ ንባይቅ ከሲስዋ። ዋላ እኳ ባይቅ ግዳይ ትንኮያ ፆታዊ መጥቃዕቲ ትኹን፡ ቤት-ፍርዲ ኢንዶኔዥያ ግን፡ ናይታ ሃገር ናይ ኤሌክትሮኒክስ ልውውጥ መረዳእታ ሕጊ ብምፅራሕ ገበነኛ ኢኺ ክብል፡ ኣብ ልዕሊኣ ፈሪዱ። ወሃቢ ቃል እቲ ቤት-ፍርዲ ዓብዱላህ፡ \"ጥፍኣተኛ ምዃና ስለዝተረጋገፀ፡ እቲ ይግባይ ተቐባልነት ኣይረኸበን\" ኢሎም። ባይቅ ማእሰርቲ ጥራሕ ኣይኮነን፡ 35,200 ዶላር ንክትቅፃዕ'ውን እዩ ተበይኑ። ባይቅ፡ እቲ ቅዳሕ ንሳ እንተይኮነትስ መሓዝሓ ከምዘላብዐቶ ብምግላፅ ተኻቲዓ እያ። ጠበቓኣ ጆኮ ጃማዲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ባይቅ ዋላ እኳ ነቲ ፍርዲ እንተተቐበለት፡ \"ኣብ ኣደባባይ ብዛዕባ ፆታዊ መጥቃዕቲ ብምዝራባ ትቕፃዕ ናይ መወዳእታ ጓልኣንስተይቲ ከምትኸውን እያ ተስፋ ትገብር\" ኢሎም። ድሕሪ እዚ ውሳነ፡ ይግባይ ምባል ዋላ እኳ እንተዘይተኽኣለ፡ ንፕረዚደንት ኢንዶኔዥያ ጆኮ ዊዶዶ ይቕረታ ንክገብሩላ ምሕታት ከምዝከኣል፡ ናይ ሕጊ ኣማኸርታ ገሊፆም። ሻብዓይ ፕረዚደንት ኢንዶኔዥያ ጆኮ ዊዶዶ፡ እቲ ቤት-ፍርዲ ናይ ባይቅ ይግባይ እንተዘይተቐቢሉ፡ ምሕረት ከምዝገብሩላ ዋላ እንተገለፁ፡ ባይቅ ግና ዋላ ሓንቲ ጥፍኣት ስለዘይብላ ይቕረትኦም ከምዘይትደልይ ጠበቕኣ ተዛሪቦም።","category":"CATEGORY_FIVE","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48891753"} {"headline":"ኲናት ትግራይ፡ ህወሓት ወተሃደራዊ ምድላዋት ይገብር ኣሎ ክብሉ ሰብመዚ ኤርትራ ገሊጾም","content":"ህወሓት፡ ነቲ ኣሰሓሓቢ ዝነበረን \"[ብ]ኣህጉራዊ ሕጊ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ምዃኑ\" ዝተረጋገጸን ከባቢታት ንምቁጽጻር ዝዓለመ ወተሃደራዊ ምድላዋት ይገብር ኣሎ ክትብል ኤርትራ ከሲሳ። ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ከባቢ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝርከባ ከተማታት ራማን ባድመን ምስ ሰራዊት ኤርትራ ተራጺሞም ምንባሮም ምንጭታት ቢቢሲ ምሕባሮም ይዝከር። ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ጎኒ ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምስላፍ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ከምዝተዋግኡ ይፍለጥ። ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ሓተታ፡ መራሕቲ ህወሓት \"[ን]ሓድሽ ወተሃደራዊ ዕንደራ ይዳለዉ ከምዘለዉ ምስጢር ኣይኮነን\" ክብል ገሊጹ'ሎ። \"ኣህጉራዊ ሕጊ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ምዃኑ ንዘረጋገጾ መሬትና ዳግም ምጒባጥ፣ ክቱር-ጽልኦም ዝድርኾ ዝምታን ግፍዕን ኣብ መሬት ኤርትራ ዳግም ንምፍጻም\" ዕላማ ከምዘለዎም'ውን እቲ ጽሑፍ ይጠቅስ። ሓይልታት ኤርትራ ዝርከቦም ኩሎም ወገናት ኲናት ትግራይ፡ ጃምላዊ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ዝርከብዎ ከቢድ ሰባዊ ምግሃስ መሰላት ፈጺሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ። እታ ቀንዲ መበገሲ ናይቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዝቐጸለ ዶባዊ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን እትውሰድ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ዶባት ክልቲአን ሃገራት እትርከብ ባድመ፡ ብመንጎኛ ኮሚሽን ዶብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ 2002 ንኤርትራ ክትወሃብ \"ናይ መወዳእታን ቀያድን\" ውሳነ'ኳ እንተ ተዋህበ፡ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ኢትዮጵያ ምጽንሓ ይዝከር። ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ግን፡ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሰራዊት ኤርትራ ትርከብ። እቲ መራሕቲ ትግራይ ይዳለውሉ ኣለዉ ዝተባህለ ሓድሽ ዙር ውግእ፡ \"ንኤርትራ ምንብርካኽ፣ ጽባሕ ድማ፡ ንኤርትራ ዝጎበጠት፣ ኣፍደገ ባሕሪ ዘለዋ ዓባይ ትግራይ ምህናጽ\" ዝብል ዕላማ ከምዘለዎ'ውን ገሊጹ። ብዘይካ'ዚ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ዝርከብ ምዕራብ ትግራይ \"ዳግም ብምቁጽጻር መስመር ሱዳን ምኽፋት\" ውጥን ከምዘለዎ መግለጺ ኤርትራ ይትርኽ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብዚ ቅነ ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ኤርትራ ሰራዊታ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ኢትዮጵያ ክተውፅእ ምፅውዖም ይፍለጥ። መራሕቲ ትግራይ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዝርከብ ገለ ከባቢታት ናይቲ ክልል ብሓይልታት ኤርትራ ተታሒዙ ከምዘሎ ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም። ኣብዚ ቀረባ ዋን፡ መራሒ ትግራይን ኣቦ መንበር ህወሓትን ዶ\/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ማሕበረሰብ ዓለም ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብቲ ኣብ ዕጽዋ ትርከብ ትግራይ ንክበጽሕ ጸቕጢ ክገብር እንተዘይኪኢሉ፡ \"ህዝቢ ትግራይ ርእሱ ንምድሓን\" ኣድላዪ ዝበሃል ስጕምቲ ከምዝወስዱ ኣጠንቂቑ ነይሩ። ዶ\/ር ደብረጽዮን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን፡ ኣብ ሓደ ኣኼባ፡ \"ንሕና ከምዚ ኢልና ክንቅጽል ኣይንኽእልን ኢና። ድሕሪ ሰሜን ሸዋ ምእንቲ ሰላም ኢልና ዕድል ሂብና ኢና። ቅድሚ ውግእን ድሕሪ ውግእን ንሰላም ብዙሕ ዕድል ሂብና ኢና። ይዅን እምበር ሕጂ ከምዚ ኢልና ክንቅጽል ኣይንኽእልን ኢና። ኵሉ ነገር ብፖለቲካ ጥራሕ ኣይፍታሕን እዩ፡\" ክብል ተሰሚዑ። ዋላ'ኳ \"ምዕራባውያን ሓይልታት\" ነቲ ናይ ህወሓት ወተሃደራዊ ምድላዋት ዘይሰማምዕሉ እንተኾኑ፡ \"ናቶም ቡራኬን ደገፍን ከምዘለዎ ግሉጽ\" እዩ ይብል ሓተታ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ። እንተኾነ ግን ብዛዕባ'ቲ ደገፍን ደገፍትን ዝሃቦ ዝርዝር ሓበሬታ የለን። \"ክቡር መስዋእቲ ተኸፊልዎ ህያው ንዝኾነ ህላዌናን ናጽነትናን ልኡላውነትናን ክብረትናን ንምክልኻል ግን፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ዘረጋገጾ መሰልን፣ ሃገራውን ሰብኣውን ግቡእን ኣለና\" ብምባል ነቲ ክመጽእ ዝኽእል መጥቃዕቲ ንምግጣም ድሉው ምዃኑ ኣጠንቂቑ። ኣብታ ብሰንኪ'ቲ ክሳብ ሎሚ ፍታሕ ዘይተረኽበሉ ኲናት ኣብ ዕጽዋ እትርከብ ትግራይ፡ ከም መራኸቢታት፣ ባንክ፣ ትምህርትን ዝበሉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ብምቁራጾም፡ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቑ ከምዝርከብ ጸብጻባት ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም። ናብቲ ብሕጽረት መግቢ ንጥምየትን ዓጸቦን ዝተቓልዐ ተጸባዪ ህጹጽ ረዲኤት ብስሩዕ ንምብጻሕ ከምዘይተኻእለ ትካላት ሰብኣዊ ደገፍ ክገልጻ ምጽንሐን ይፍለጥ። ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ጨንፈር ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን 165 ረድኤት ዝጸዓና መኻይን ናብ ትግራይ ከምዝኣተዋ ብመገዲ ትዊተር ገሊጹ ነይሩ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ሓሓሊፉ ዝኣቱ ቀረባት መግብን ሕክምናን ምስቲ ከቢድ ቅልውላው ዝዳረግ ከምዘይኮነ'ዩ ዝግለጽ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61485505"} {"headline":"ኣብ ትግራይ ገበናት ኲናት ተፈጺሞም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ","content":"ኩሎም ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተሳተፉ ኣካላት ግህሰት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸሙ ብምግላጽ ገሊኦም ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም ክብል ሓድሽ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። እቲ ብምትሕብባር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ዝተኻየደ መጽናዕቲ መረዳእታታት ገበናት ኲናት'ውን ረኺበ ይብል። እቲ ኲናት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 4 ሕዳር 2020 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ከም ዝተጀመረ ይፍለጥ። ኣብቲ እዋን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣንጻር ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ስጉምቲ ክውሰድ ወተሃደራዊ መምርሒ ምሃቡ ይዝከር። ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባቻሌት እቲ ጎንጺ ከቢድ ጭካነ ዝተርኣዮ'ዩ ብምባል ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦ ክግበር ጸዊዓ። ኣካል ናይቲ ኲናት ዝኾኑ መራሕቲ ትግራይ፡ ኤርትራን ፈደራላዊ መንግስቲን ነቲ ዝወጸ ጸብጻብ ዘለዎም ተቓውሞን ነቐፌታታትን ገሊጾ ምኣለዉ። እቲ ጸብጻብ፡ ዘይሕጋዊ ቕትለትን ጃምላዊ ቕትለትን፣ ምስቓይ፣ ጾታውን ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽን ሓዊሱ ከበድቲ ዝርዝራት ግህሰታትን መጥቃዕታትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ስደተኛታትን ከምኡ'ውን ግዱድ ምፍንቓል ሰላማውያን ሰባት ዝሓዘ እዩ። \"ኩሎም ኣብቲ ጎንጺ ዝተሳተፉ ኣካላት ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ንብረትን መጥቃዕቲ [ከም ኣባይቲ፣ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ሆስፒታላትን ትካላት እምነትን] ፈጺሞም ወይ ብዘይኣፈላላይ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ንብረቶምን ጉድኣት ዘብጽሕ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ዘተኣማምን ነገር ኣሎ\" ክብል እቲ ጸብጻብ ይገልጽ። ኣብዚ፡ ዘይሕጋዊ ወይ ጃምላዊ ቕትለታትን ከም ዝተፈጸሙ ተመዝጊቡ ኣሎ። 'ሳምሪ' ብዝብል ዝፍለጥ ጉጅለ ተጋሩ መናእሰይ፡ ልዕሊ 200 ኣብ ማይካድራ ዝነበሩ ተወለድቲ ኣምሓራ ከም ዝቐተሉ ብምግላጽ፡ ኣብታ ከተማ ናይዚ መጥቃዕቲ ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ መጥቃዕቲ ቅትለት ከም ዝተፈጸመ ይገልጽ። ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ድማ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ልዕሊ 100 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉ ሓቢሩ ኣሎ። \"ኣብቲ ጎንጺ ቀጥታዊ ተሳትፎ ዘይብሎም ሰባት በቶም ኣብቲ ጎንጺ ዝተሳተፉ ኣካላት ስለ ዝተቐትሉ ገበናት ኲናት ተፈጺሞም ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም\" ክብል እቲ ጸብጻብ ይገልጽ። ብተወሳኺ ኣብቲ ኲናት ብጉጅለ ዝርከቦም ጾታዊ ዓመጻት ተፈጺሞም'ዮም ብምባል መንግስቲ ኢትዮጵያ \"ነዞም ክስታት ብናጻ ኣካል ዘይሻራዊ ምጽራይ ብምክያድ ገበነኛታት ተሓተትቲ ክገብር\" ጸዊዑ። ግብረመልሲ እቶም ወገናት ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒሰተር ኢትዮጵያ፡ ሎሚ ረፋድ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ \"ኣብዚ ኣጸጋሚ እዋን ኮይንኩም ዝሰራሕኽምዎ ሞያውን ተኣማንን መርመራ ሰብኣዊ ሰብኣዊ መሰላት ከድንቕ ይፎቱ\" ክብል ንሰራሕተኛታት ክልቲኦም ትካት ኣመስጊኑ። እቲ ብስም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢዪ ዝወጽአ ምላሽ፡ ወሲኹ ድማ፡ \"ገለ ዘይንቕበሎ ክፋል እንተሎ'ኳ፡ ኣብ ቀጻሊ ንዝተበደሉ ፍትሒ ክረኽቡን ገበነኛታት ተሓተትቲ ንምግባርን ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ፡ እቲ ጸብጻብ ኣዝዩ ጠቓሚ ሰነድ ኮይኑ ከገልግል እዩ\" ይብል። መራሕቲ ትግራይ ብወገን 'ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ወጻኢ ትግራይ' ኣቢሎም ኣብ ዝሃበዎ መግለጺ እቲ ጸብጻብ ብዙሓት ጸገማት ከምዘለዉዎ ብምሕባር ተቓዊሞምዎ፡፡ እቲ ምርመራ ንኹሎም ግፍዒ ዝተፈጸመሎም ከባቢታት ዘይሸፈነ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ መግለጺ፡ ንኹሎም ወገናት ዘይምስታፉ እውን ካልእ ጸገም ከምዝኾነ ጠቒሱ፡፡ ''ንመንግስቲ ትግራይ ንምርካብ ዝተገበረ ጻዕሪ የለን፤ ኣብ ከም ናይ ማይ ካድራ ዝበሉ ከባቢታት እውን ንኹሉ እቲ ሰብመዚ ኣምሓራ ዝተዛረብዎ ጥራሕ ዝወሰደ እዩ'' ኢሉ፡፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብቶም ምርመራታት ምስታፉ ከም ተወሳኺ ጸገም ዘቐመጠ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ወጻኢ ትግራይ፡ እዚ ንመትከል ዘይሻራውነት ከምዝጻባእ እውን ሓቢሩ፡፡ ኤርትራ ብወገና ኣብ ዝሃበቶ ግብረመልሲ፡ ዘይሻራዊነትን ሕጋውነትን ናይቲ መጽናዕቲ ኣብ ምልክት ሕቶ ብምእታው፡ እቲ ጸብጻብ \"ተቐባልነት የብሉን\" ክትብል ተቓዊማቶ'ላ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ብዛዕባ \"ጃምላዊ ቅትለት ኣክሱም\" ዝወጸ ጸብጻብ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ እናተቐያየረ ዝመጸ'ዩ ብምባል ኣብቲ ጸብጻብ ወጺኡ ዘሎ \"መደምደምታ ክቐውም ዘይክእል'ዩ\"ኢሉ። ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ዝሃቦ ዝርዝር ሓበሬታ ግን የለን። ንጉዳይ ጾታዊ ዓመጽ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ'ውን፡ ወተሃደራት ኤርትራ ንደቂ-ተባዕትዮን ቆልዑን ከይተረፈ ዕርቃኖም ብምውጻእ ይላገጽሎም ነይሮም ዝብል ጸብጻብ \"ባዕዳዊ\" ባህሊ'ዩ ክብል ብትሪ ተቓዊሙ። \"ከምዚ ዝበለ ኣረሜናዊ ተግባራት ንባህሊን ልምድን ኤርትራ፡ ከምኡ'ውን ንመትከላትን ክብርታትን ሓይልታት ምክልኻል ባዕዳዊ እዩ\" ይብል እቲ መግለጺ። ሓይልታት ኤርትራ ስደተኛታት ቀቲሎም ንዝብል ክሲ'ውን \"ውጹእ ሓሶት'ዩ\" ክብል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ነጺግዎ'ሎ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ሰራዊት ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ኣብጺሖም ብዝብል ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ መምርሒ ሂቡ። እዚ፡ ብድሕሪ እቲ ኣብ ሞንጎ መራሕቲ ህወሓትን መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድን ንኣዋርሕ ክርኣይ ዝጸንሐ ወጥርን ፖለቲካዊ ዘይምቅዳውን ዝስዓበ እዩ። እቲ ኲናት ምስ ተጀመረ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንህወሓት ኣብ መዝገብ ሽበራ ብምስፋር ምስ ኣመራርሓ እቲ ውድብ ዝኾነ ዓይነት ልዝብ ከም ዘይካየድ ኣፍሊጡ። ድሕሪ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝልሓመ እዚ ኲናት፡ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ብዝተጀመረ ሓድሽ መጥቃዕቲ ሓይልታት ትግራይ ንደሴን ኮምቦልቻን ዝኣመሰላ ስትራቴጂካዊ ከተማታት ኣምሓራ ክቆጻጸሩን ክደፍኡን ክኢሎም። በዚ ምኽንያት ኣብዪ ኣሕመድ ግስጋሰ እዚ ሓይሊ ንምዕጋት ኩሉ ሰብ ዝኾነ ዓይነት 'ዕጥቅን ዓቕምን' ሒዙ ክኸትት ጸዊዑ ኣሎ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59146007"} {"headline":"ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ካልኦትን ዝተነበረ እገዳ ብቅልጡፍ ክልዓል ጸዊዑ","content":"መበል 35 ስሩዕ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ 5 ክሳብ 6 ጥሪ 2022 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ ነይሩ። እቶም መራሕትን ወከልትን ሃገራት ድሕሪ ኣኼባ ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ካልኦት ሃገራትን ዝተነብረ እገዳ ብቅልጡፍ ክልዓል ጸዊዖም። ኤርትራ ኣብቲ ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝተፈጸሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኢዳ ሓዊሳ ብዝብል ኣመሪካ እገዳ ከም ዘንበረትላ ይፍለጥ። ኣብቲ ሓባራዊ መግለጺ፡ ገለ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሕብረት ኣፍሪቃ ፖለቲካውን ቁጠባውን እገዳታት ብምግባር ጸቕጥታት ይግብራ ኣለዋ ብምባል እቲ ተግባር ብተሪር ኩኑን ምዃኑ ገሊጹ። መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ዝኾና ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ንቅዋም ሕብረት ኣፍሪቃን ንቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ዝጥሕስ ተግባራት ካብ ምግባር ክቁጠባ ኣለወን ኢሎም። ከምዚ ዓይነት ተግባራት ዝገብራ ሓያላት ሃገራት ድማ ሰብኣዊ መሰላት ይጥሕሳ ከም ዘለዋ ክፈልጣ ኣለወን ኢሎም። ኣብቲ ሓባራዊ መግለጺ ኣብ ልዕሊ ልኡላውያን ሃገራት ዝግበር ግዳማዊ ምትእትታው ክውገድ ከም ዘለዎን ኣባላት ሃገራት ብትሪ ከም ዝቃወመኦን ተገሊጹ። መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ዚምባብወ ኣንቢርዎ ዘሎ እግዳ ንቁጠባዊ ሕውየት እታ ሃገር ዝሃስዮ ምዃኑ ብምግላጽ ነቲ እገዳ ከልዕሎ ኣብቲ ሓባራዊ መግለጺ ምሕጽንታ ቀሪቡ። ዓባይ ብሪጣንያን ሰሜን ኣየርላንድን'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ዙምባብወ ዘንበረኦ እገዳ ከልዕልዎ ጻውዒት ቀሪቡ። ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ብኣመሪካ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ምሽማት ኣጽዋር ክልዓል'ውን እቶም መራሕቲ ጸዊዖም። እቲ ሕብረት፡ ኣውሮጳን ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበረኦ እግዳ ከልዕልኦ ብምጽዋዕ፡ ንሃገራት ዚምባብወ፣ ደቡብ ሱዳንን ኤርትራን ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60298786"} {"headline":"ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ መጽሄት ታይም ቅረታ ኣቕሪቡ","content":"ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ መጽሄት ታይም ናይ ቅረታ ደብዳበ ልኢኹ። ሴክረታሪ ፕረስ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኾነት ቢልለኔ ስዩም፡ መጽሄት ታይም ንኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝርዝር 100 ጽልዋ ፈጠርቲ 2022 ድሕሪ ምክታቱ እያ ነቲ ናይ ቅረታ ደብዳበ ጽሒፋ ዘላ። ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝርዝር ፈጠርቲ ጽልዋ ዘካተተ ታይም፡ እቲ መራሒ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰላም ክወርድ ምስርሑ ስዒቡ ሽልማት ኖቤል ከምዝወሰደን ኣብ ኲናት ትግራይ ኣብ ዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ተሓታቲ ከምዝኾነን ገሊጹ። ኣብቲ ዝርዝር ንኣብዪ ኣሕመድ ዝምልከት መግለጺ ዝጸሓፈት ወኪል ታይም ኣሪያን ቤከር \" ሓይልታት ኣብዪ ብጃምላዊ ቕትለት፣ ጾታ መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲታትን ምጽጻይ ዓሌትን ክሲ ቀሪብሎም እዩ። ንሚልዮናት ዘሻቕል ጥምየት እውን ተኸሲቱ ኣሎ\" ኢላ። ነዚ ስዒቡ ቢልለኔ ስዩም ናብ መጽሄት ታይም ኣብ ዝጸሓፈቶ ኢሜይል፡ እቲ መግለጺ \"ኮነ ተባሂሉ ስም ንምጥፋእ\" ብዝተሓሰበ መንገዲ ዝተጽሓፈ እዩ ኢላ። ብተወሳኺ እቲ ተግባር ኣብ ልዕሊ መንነት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዘቕነዐ ከቢድ መጥቃዕቲ ከምዝኾነን ብዛዕባ እቲ ኲናት ብሓደ ወገን ዝግለጽ ተረኽ ጥራሕ ዘቃልሕን እዩ ብምባል \"ንምንታይ ነቲ ሓቂ ገዲፉ ናይ ባዕሉ ተረኽ ናብ መላእ ዓለም ከባጽሕ\" ከምዝደለየ መብርሂ ክህብ ቢልለነ ሓቲታ። ሓላፊት ናይቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከብ መጽሄት ታይም ዝኾነት ቤከር፡ ኣብቲ ንኣብዪ ኣሕመድ ኣመልኪታ ዝጸሓፈቶ፡ ቅድሚ ቁሩብ ኣዋርሕ ንሰብኣዊ ሓገዝ ተባሂሉ መንግስቲ ፌደራል ተኹሲ ደው ከምዘበለ ዘዘኻኸረት ኮይና፡ እቲ ተኹሲ ደው ምባል ብቐንዱ ንስትራተጂካዊ ረብሓ ዝተገበረ ከምዝኾነ ብምጥቃስ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ሓገዝ ውሑድ ምዃኑ ሓቢራ። ኣብ መንጎ መንስታት ፌደራልን ትግራይን ዝተወለዐ ጎንጺ ኣስታት 19 ኣዋርሕ ዘቑጸረ ኮይኑ፡ ሚልዮናት ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ክጥሕሉ ገይሩ እዩ። ንሓይልታት ፌደራል ሓጊዞም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ወታሃደራት ኤርትራ ሓዊሱ ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ከበድቲ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ እዩ ዝግለጽ። ናይቲ ዓመት ፈጸርቲ ጽልዋ ንምምራጽ \"እንትንእከብ ኣብ ሓደ መለክዒ ኢና ትኹረት እንገብር\" ይብል መጽሄት ታይም። \"መን ለውጢ ፈጢሩ? መን ጎሊሁ ተራእዩ? ብኣወንታ ይኹን ብኣሉታ።\" መጽሄት ታይም ኣብ ናይ ሎምዘበን ዝርዝር ፈጠርቲ ጽልዋ ኣብ ክልተ ጫፋት ዝተሰለፉ መራሒ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስክን እውን ኣካቲቱ እዩ። \"ኣብ ድሕሪት እቲ ዘሕዝን ኲናት ዝርከቡ መራሒ ሩስያን ነቲ ወራር ንምክልኻል ጻዕሪ ዝገብር ዘሎ ፕረዚደንት ዩክረይንን\" ኣብዚ ዝርዝር ኣብ ሓደ ተርታ ምእታዎም ኩሎም ፈጠርቲ ጽልዋ ኣወንታዊ ዘይምዃኖም ዝገልጽ እዩ ይብል ታይም። መጽሄት ታይም፡ ንክኢላ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ትምኒት ገብሩ፡ ኣብ 2022 ጸለውቲ ካብ ሞንጐ ዝኾኑ 100 ሰባት ክብል ሓርዩዋ። መራሒት ጉጅለ ስነምግባር ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ጉግል ዝነበረት ትምኒት፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2020 ካብቲ ትካል ከም ዝተሰጐገት ይዝከር። ኣብ ውሽጢ እቲ ኩባኒያ ዘሎ ዓሌታዊ ኣድልዎን፡ ውጽኢት ናይቲ ምርምር ድማ ቅኑዕ ከም ዘይኰነን ንህዝቢ ከጋጊ ከም ዝኽእልን ዝሕብር ኢመይል ድሕሪ ምልኣኻ ካብ ስርሓ ክትስጐግ ምኽንያት ከም ዝኾነ ኣብቲ እዋን ገሊጻ ነይራ። ትምኒት፡ ቍጽሪ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ዓውዲ ትሑት ከም ዝኾነ ብምግላጽ፡ ነዚ ንምፍታሕ ከም እትቃለስ ክትገልጽ ጸኒሓ'ያ። መጽሄት ታይም፡ ሓንቲ ካብ ጸለውቲ ዓለም ኢሉ ዝሓረያ ትምኒት፡ \"ኣብ ውሽጢ ዓበይቲ ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ ኴንካ ሓቂ ምዝራብ ትብዓት ይሓትት፤ ትምኒት ገብሩ ኸኣ ነጋሪት ሓቂ 'ያ\" ክብል ንኢዱዋ። ትምኒት ገብሩ ካብ ጉግል ቅድሚ ምስጓጓ፡ ምስ ካልኦት ተመራመርቲ እቲ ትካል ኰይና ዘዳለወቶ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ ሽማ ካብቶም ኣዳለውቲ እቲ ምርምር ክእለ ተሓቲታ ምንባራ ብምጥቃስ እዚ ሽማ ንኸይጐልሕ ኮነ ኢልካ ዝተገበረ ምዃኑ ትማጐት።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61575238"} {"headline":"ወተሃደራት ኤርትራ ንኣኰይ ቀቲሎሞ' - ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም","content":"ዳይሬክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብታ ብኵናት ዝዓነወት ትግራይ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ንኣኮኡ ከም ዝቐተልዎ ኣፍሊጡ። ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ተመሳሳሊ ቁሸት ካልኦት 50 ሰባት ብወተሃደራት ኤርትራ ከምዝተቐተሉ ገሊጹ። ኣብዚ እዋን'ውን በዚ ዘጋጠሞ ኵነታት ከም ዝተናወጸ ዝርአ እዚ ካብ ተጋሩ ስድራ ዝመጽአ ዳይረክተር፡ “ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ኣይነበርኩን” ክብል ተኣሚኑ። ኤርትራ ኣብዚ ሕጂ ቀሪቡላ ዘሎ ክሲ ብወግዒ ዝሃበቶ ምላሽ የለን። እንተዀነ መንግስቲ ኤርትራ፡ ‘ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ንመድረኽ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ኣፈኛ ወጻኢን ተሓላቕን ህወሓት ኰይኑ ብኽልቲኡ ይጥቀመሉ’ሎ’ ክብል ንዶክተር ቴድሮስ ክኸሶ ምጽንሑ ይዝከር። ዶክተር ቴድሮስ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር መግለጺ ውድብ ጥዕና ዓለም ብዛዕባ ኮቪድ-19 ኣብ ዝተዛረበሉ፡ “ብቐዳም፡ ኣኰይ ብሰራዊት ኤርትራ ከም ዝተቐተለ ተረዲአ” ኢሉ። “ንኣደይ ኣዛሪበያ፡ ካብ ስድራኦም እቲ ናይ መወዳእታ (ንእሽተይ) ስለዝነበረ ብጣዕሚ እያ ሓዚና።  ምሳይ ዳርጋ ኣብ ተመሳሳሊ ክሊ ዕድመ ኢና ነይርና” ዝበለ እቲ ወዲ 57 ዓመት ዳይረክተር ጀነራል ጥዕና ዓለም፡ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ቁሸት ይዅን እዋን ዝሃቦ ዝርዝር ሓበሬታ የለን። ዶክተር ቴድሮስ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተፈረመ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ “ክጸንዕ’ዩ፡ እዚ ዕብዳን ከኣ ደው ክብል’ዩ” ዝብል እምነት ከምዘለዎ ገሊጹ። እንተኾነ፡ እቶም መሻርኽቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዃን ኣብ ኵናት ትግራይ ዝተሳተፉ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ጐረቤት ክልል ኣምሓራን ኣካል እቲ ስምምዕ ኣይኰኑን። ኵናት ትግራይ ኣብ መወዳእታ 2020 ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ከም ግብረመልሲ ናይቲ ኣብ ልዕሊ እዝ ሰሜን ብሓይልታት ትግራይ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ክልላዊ ሓይልታት ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ክፍጸም ድሕሪ ምእዛዙ’ዩ ተባሪዑ። ኣብ መንጐ'ቲ ብኣቢይ ዝምራሕ መንግስትን መራሕቲ ገዛኢ ውድብ ፖለቲካ ትግራይ ዝዀነ ህወሓትን ዝነበረ ምትፍናን ድሕሪ ምዕራጉ እዩ እቲ ኵናት ተወሊዑ። ብሰንኪ እዚ ደማዊ ኵናት፡ ኣብታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ሞይቶም፤ ካልኦት 350 ሽሕ ዜጋታት ድማ ኣብ ኵነታት ጥሜት ይርከቡ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72ngxzkzkqo"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ - ኢትዮጵያ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ መን'ዩ?","content":"ሎሚ ኣብ ዝጀመረ 6ይ ዘመን ስራሕ ሓድሽ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ [24 መስከረም 204 ዓ.ም] ሰልፊ ብልጽግና ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ነታ ሃገር ንክመርሕ ሕጹይ ገይሩ ዘቕረቦ ኣብዪ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ተሸይሙ። በዚ መሰረት ኣብዪ ኣሕመድ መራሒ እታ ሃገር፣ ኣካቢ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራትን ጠቕላሊ ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻልን ኮይኑ ክቕጽል'ዩ። ቢቢሲ፡ ኣብ እዋን ምጅማር እቲ ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ትግራይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ መን'ዩ? ዝብል ዛንታ ኣዳልዩ ነይሩ። መንግስቲ ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ነቲ ብውሳነ መንግስቲ ፌደራል ዝተወሰነ ምንዋሕ ሃገራዊ መረጻ ንጎኒ ገዲፉ፡ ክልላዊ መረጻ ንክካየድ ወሲኑ'ዩ። እቲ መረጻ፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክናዋሕ ክኢሉ። ኣብቲ ሽዑ ግዜ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ \"ኣነ ኢትዮጵያ ኲናት የድልያ'ዩ ኢለ ኣይኣምንን። ምስቶም ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ዝደልዩ ሰባት ክጽምበር ኣይደልን። ናብ ትግራይ ዓረር ዘይኮነ፡ ኮሮናቫይረስ ዝከላኸል መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን'የ ክልእኽ ዝደሊ\" ኢሉ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ፡ መንግስቲ ፌደራል ምስ ክልል ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ወተሃደራዊ ጎንጺ ከም ዘይደሊ ክገልጽ እንከሎ፡ ሕጂ ድማ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒት ብላዕለዋይነት ይመርሕ ኣሎ። እዚ ምኽንያት ሞት ኣሽሓት ሰባት ከም ዝኾነ'ውን ይግመት። ትካላት ሰብኣዊ ረዲኤት፡ ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ጎረቤት ሃገር ከም ዝተዘናበሉ ክገልጹ እንከለው፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከየጋጥም ስግኣቱ ይገልጽ። ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዚያ 2018 ዓ.ም እዩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኮይኑ። ህዝቢ ኦሮሞ ዘካየዶ ናዕቢ ድማ እቲ ቀደማይ ሚኒስትር ናብ ስልጣን ክመጽእ ምኽንያት ኮይኑዎ። ሽዑ፡ እታ ሃገር ኣብ ገምገም ኲናት ሓድሕድ'ያ ነይራ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ድማ ገሊኦም ክትሓስቦም ዘይትኽእል ታሪኻዊ ጽገናታት ክገብር ጀሚሩ። ንውሕ ንዝበሉ ዓመታት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብናጽነት ናይ ምዝራብ መሰላት ብምዕፋን፣ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ብምእሳርን ተቓውሞታት ብምዕፋንን ጉጅለታት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክነቕፉዎ ጸኒሖም። ብተወሳኺ፡ ምስ ጎረቤት ሃገር ኤርትራ ንክልተ ዓሰርተ ዓመታት ዝዘለቐ ኩነተ ኲናት ንምእላይ ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኣብ ምትግባር ዓንቂጹ ጸኒሑ። ኣብዪ ኣሕመድ ምስ መጽአ ግን ኩሎም ተቐይሮም። ነቲ ውሳነ ተቐቢሉ ምስ ኤርትራ ውዕል ሰላም ከቲሙ። እዚ፡ ታሪኻዊ ውሳነ መሪሕነቱ ኮይኑ ብ2019 ዓ.ም ተሸላሚ ሽልማት ኖቤል ሰላም ክኸውን በቒዑ። ምስ ኩሎም 'ጸላእቲ' እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ መራሕቲ ድማ ሰላም ክፈጥርን ናብ ሃገር ከእትዎምን ተራእዩ። ንሱ ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ኮነ ድሕሪ ሓደ ዓመት ዝሞቱ ኣቡኡ ኣሕመድ ዓሊ፡ \"ምስ ኩሉ ተመሓዛዪ'ዩ\" ክብሉ ብሓምለ 2018 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮም ጻንሒት ገሊጾምዎ'ዮም። ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብዝተፈላለየ መገዲ ዝርእዩዎ ሰባት ስለ ዘለው ድሕረ ባይትኡ ምርኣይ ኣገዳሲ'ዩ። ንሱ፡ ካብቲ ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ኣንጻር መንግስቲ ተቓውሞ ዘካይድ ዝነበረ ሰፊሕ ብሄር ኦሮሞ ዝወጽአ ፈላሚ መራሒ እዩ። ኣብቲ ተቓውሞ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ብዘጋጥም ዝነበረ ጎነጽ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም'ዮም። እቶም ተቓወምቲ ካብ ዘልዕሉዎ ዝነበረ ሓደ ኣገዳሲ ሕቶ፡ ህዝቢ ኦሮሞ ንዓመታት ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ባህላውን ኣድልዎ ይበጽሐና ኣሎ'ዩ ዝብል እዩ። ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ድማ ኩሉ ክቕየር ጀሚሩ። ንሱ፡ ኣቦ መንበር ዴሞክራሲያዊ ግንባር ህዝቢ ኦሮሞ (ኦፒዲኦ) ዝነበረ እዩ። እዚ ሰልፊ ድማ ካብቶም ንኢህወደግ ብልፍንቲ ዝመስረቱ ሓደ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ታሕሳስ፡ ኣብዪ ኣሕመድ ነዚ ንኣስታት 30 ዓመታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብሒቱ ዝጸንሐ ልፍንቲ ብምፍራስ፡ ብልጽግና ዝተባህለ ሓደ ውሁድ ሰልፊ መስሪቱ። መስራቲ ኢህወደግ ዝነበረ ህወሓት ግን ነቲ ውህደት ነጺጉ። ወዲ 44 ዓመት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣጋሮ ኣብ ዝበሃል ከተማ ክውለድ እንከሎ፡ ወለዱ እስላምን ክርስቲያንን'ዮም። ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ 1980ታት'ዩ ኣባል ኦፒዲኦ ኮይኑ። ቅድሚ መስራትን ዳይሬክተርን እቲ መንግስቲ ኣብ ኢንተርነት ጥቡቕ ክትትል ዝገብረሉ ዝነበረ ኤጀንሲ ድሕነትን ሓበሬታን እታ ሃገር ምዃኑ፡ ኣብ ውትህድርና ክሳብ መዓርግ ሌተናል ኮነሬል በጺሑ'ዩ። ቀጺሉ ከኣ ሚኒስትር ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኮይኑ። መራሒ ሃገር ምስ ኮነ ድማ፡ እቲ መንግስቲ ዘመሓድሮ ዓወዲ ቴሌኮም እታ ሃገር ናብ ብሕቲ ክሰጋገር ከም ዝገብር ተመጻቢዑ። ኣገደስቲ ሓቅታት ኣብይ ኣሕመድ ኣብዪ፡ ነቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 (ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ) ብምኽንያት እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተኻየ ዶባዊ ኵናት ን20 ዓመታት ዝዘለቐ ኩነተ ኲናት ከብቅዕ ገይሩ። በዚ ምኽንያት ድማ፡ መበል 100 ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ኮይኑ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ኣብ ኦስሎ ነቲ ሽልማት ተቐቢሉ። እቲ ሽልማት ክወስድ ከሎ ድማ፡ \"ኵናት ንምጅማር ውሑድ እዩ ዝወስድ፤ ሰላም ንምህናፅ ግና ቁሸትን ሃገርን የድሊ። ንዓይ ሰላም ምህናጽ ማለት ልክዕ ተኽሊ ማይ ኣስቲኻ ከም ምዕባይ እየ ዝሪኦ። ተኽሊ ማይን ጽቡቕ ሓመድን ክደሊ እንከሎ፡ ሰላም ድማ ትዕግስትን ቆራጽነትን ይደሊ\" ኢሉ ነይሩ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ግን፡ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት፡ \"ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ሞይቶምን ተመዛቢሎምን'ዮም\" ብዝብል ጎስጓስ ኮሚቴ ኖቤል ነቲ ሽልማት ከሕድጎ ፊርማ ኣኪቦም ክሓቱ ተራእዩ። ኮሚቴ ኖቤል ኖርወይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ግን፡ \"ኣብ ጎኒ ክቡር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ብ2019 ሽልማት ኖቤል ንክሽለም ዝገበረ ውሳነ እየ። እቲ ኮሚቴ ንውሳንኡ ዳግማይ ርእዩ ወይ'ውን ንክርኢ ሓሲቡ ኣይፈልጥን\" ዝብል ምላሽ ሂቡሉ። ወሲኹ፡ \"ሕግጋት ኮሚቴ ኖቤል ኖርወይ'ውን ሽልማት ሰላም ንክስረዝ ኣየፍቅድን\" ኢሉ። ኣብዪ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ 'መደመር' ኣዝዩ ኣዘራራቢ ዝኾነ ቃል ነይሩ። እዚ ናይ ኣምሓርኛ ቃል ኮይኑ፡ \"ሓደ ምዃን ወይ'ውን ናብ ሓደ ምምጻእ\" ዝብል ትርጉም ኣለዎ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር'ውን ጸገማት ኢትዮጵያ በዚ መገዲ'ዮም ዝፍትሑ ኢሉ ይኣምን። እዚ ብደረጃ መጽሓፍ'ውን ዝተሓተመ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተመሪቑ። ብቋንቋታት ኣምሓርኛን ኣፋን ኦሮሞን ተጻሒፉ ድማ ብኣማኢት ኣሽሓት ተሓቲሙ ተዘርጊሑ። እቲ መጽሓፍ፡ 16 ምዕራፋትን 280 ገጻትን ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብዪ ኣሕመድ ኣፈላላያት ብምኽባር ሓድነት እታ ሃገር ክቕድም ኣለዎ ኢሉ ይኣምን። ሕምብርቲ፡ ናይዚ ናተይ ዝብሎ ፍልስፍና፡ ምትዕጽጻፍን ኣፈላላይካ ሒዝካ ሓቢርካ ምስራሕ ምኽኣልን ዝብል እዩ። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም፡ ኣብ ኣኼባ ሰልፊ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ደቡብ (ዴኢህዴን) ተረኺቡ፥ \"ሓንቲ ምርጫ ኣላትና፤ እዚ ከኣ ምሕባር'ዩ። ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን ጥራሕ ዘይኮነን ብሓባር ንምንባር ምውህሃድ ከድልየና እዩ። እቲ ካልእ ምርጫ ከኣ ሓድሕድና ምቅታል\" ኢሉ ነይሩ። ወሲኹ፡ \"ይኹን'ምበር፡ እዚ ምርጭኡ ዝገብር ኣይህሉን። ስለዚ ምርጫና ንሓድሕድና ምትእምማን፣ ቁስልና ምፍዋስን ንዕብየት ሃገርና ብሓባር ምስራሕን'ዩ ክኸውን ዘለዎ\" ኢሉ። ብ4 ሕዳር 2020፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ስጉምቲ ንክወስዱ ኣዚዙ። ንሱ፡ እቶም ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ፈጺሞም'ዮም ብማለት ይኸሶም። \"ስለ ዝኾነ ድማ መንግስቲ ፌደራል ወተሃደራዊ ስጉምቲ ንክወስድ ተገዲዱ ኣሎ\" ኢሉ። ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራልን ኣመራርሓ ህወሓት ዝኾኑ ሰብ መዚ ትግራይን ዝነበረ ውጥጥ በብግዝኡ እናዓረገ ክመጽእ እንከሎ፡ ንሕንሕ ስልጣን፣ መረጻ፣ ፖለቲካዊ ጽገናታት ዘይምቕባልን ካልኦትን ምኽንያት እቲ ዘይምቅዳው'ዮም። ህወሓት፡ ንኣስታት 30 ዓመታት ብዓብላልነት ክመርሕ ጸኒሑ። ሕጂ ድማ ኣብዪ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ንኣመራርሓ ህወሓት ኣጓንዩ'ዩ ኢሎም ይነቕፉዎ። ኣብዪ ኣሕመድ ኣብታ ሃገር ጽገናታት ክገብር'ኳ እንተፈተነ፡ ካብ ወገን ትግራይ ግን ተቓውሞ ገጢሙዎ። እዚ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ቅልውላው ክዓርግ ምኽንያት ኮይኑ። መራሕቲ ህወሓት፡ እቲ ኣብዪ ኣሕመድ ዝገብሮ ዘሎ ጽገናታት ማእከላይ ስልጣን ንምምስራትን ፌደራላዊ ስርዓት ንምዕናውን'ዩ ኢሎም ይቃወሙዎ። ዞባዊ ጽልዋ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመትን ፈረቓን፡ ኣብ'ቲ ዞባ ጎንጺ ኣለዎም ኣብ ዝበሃሉ ቦታታት ኣብ ምሽምጋል ዓብዪ ተራ ተጻዊቱ እዩ። ኣብ ሱዳን፡ ወተሃደራዊ መራሕቲ ናብ ልዝብ ክመጽኡ ኣብ ምግባር ኣበርክቶ ገይሩ። እዚ ከኣ፡ ሱዳናውያን ናብ ስግግርን ምምቕራሕ ስልጣንን ክመጽኡ ክኢሎም። ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ንዝጸንሐ ሓርፋፍ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኣብ ምምሕያሽ ክሰርሕ ፈቲኑ። ኬንያን ሶማልያን ኣብ ማያዊ ዶባተን ምስተሰሓሓባ'ውን ኣብዪ ኣሕመድ ክሽምግል ድልየት ኣርእዩ'ዩ። ኣብ ዘተ ሰላም ደቡብ ሱዳን፡ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪርን መራሒ ተቓውሞ ሪክ ማቻርን ኣብ ዝግበር ልዝብል'ውን ብንጥፈት እዩ ዝሳተፍ። ኣብዪ ኣሕመድ፡ እቲ ሕጂ ኣብ ትግራይ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ፡ 'ምኽባር ሕጊ' እዩ ክብሎ እንከሎ፡ ክልቲኦም ወገናት ናብ ልዝብ ክመጽኡ ዝቐረበሉ ዓለምለኻዊ ጻውዒት ዘተ ነጺጉዎ እዩ። ኣብዚ ሰሙን፡ \"ናይ መወዳእታ\" ምዕራፍ ናይቲ ዛካይዶ ዘሎ መጥቃዕቲ ክውሰድ ዝኣዘዘ ኮይኑ ወተሃደራቱ ንከተማ መቐለ ክቆጻጸሩዋ መምርሒ ሂቡ ይርከብ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55069328"} {"headline":"ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት መጥቃዕቲ ፈጺሞም- ሕቡራት ሃገራት","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ: ዞባ ሰሜን ጎንደር፡ ኣብ ከባቢ ዳባት ዝርከብ፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ፡ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዕጡቓት መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ኣፈኛ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃን ዞባ ዓበይቲ ቀላያትን ፌይስ ኪሲንጋ ንቢቢሲ ኣብ ዝሓበቶ ሓበሬታ፡ ዝሓለፈ ቀዳም ምሸት ዕጡቓት ኣብቲ ሓድሽ መዓስከር ብምእታው ኣብ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ሸሞንተ ስደተኛታት ብጥይት ከም ዝተሃረሙን ሕክምናዊ ረድኤት ከም ዝተገበረሎምን ገሊጻ። ኩነታት ጥዕና እቶም ስደተኛታት ኣብዚ እዋን ኣብ ደሓን ከም ዘሎ ዝሓበረት እታ ኣፈኛ፡ መንነትን ዕላማን እቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሽዱሽተ ዕጡቓት ጌና ከም ዘይተነጸረ ሓቢራ። ሰብ መዚ ዩኤንኤችሲኣር ኣብ ጽባሕ እቲ መጥቃዕቲ ምስ ሰብ መዚ ምምሕዳር ጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኢትዮጵያ ብምዃን ናብቲ መዓስከር ከም ዝበጽሑን ንውሕስነት እቶም ስደተኛታት ብዝምልከት ምስ መንግስቲ ከም ዝተዘራረቡን ፌይዝ ገሊጻ። “መንነት ናይቶም ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ጌና ኣይተፈለጠን ኣሎ። ፖሊስ እቲ ከባቢ መርመራታት ይገብሩ ከም ዘለው ግና ፈሊጥና ኣሎና” ኢላ። ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ ኣብታ ክልል ኣብ ኣርባዕተ መዓስከራት ኣጽሊሎም ዝነበሩ ስደተኛታት ግዳይ መቕተልቲ ዓመጽን ዝተፈላለየ ግህሰትን ኮይኖም ምጽንሖም ክግለጽ ጸኒሑ እዩ። ብፍላይ ኣብ ፈለማ ምጅማር እቲ ኲናት ኣብ ሰሜን ትግራይ ተደኲነን ዝነበራ መዓከራት ሽመልባን ሕጻጽን ምሉእ ብምሉእ ከዓንዋ እንከለዋ እቶም ስደተኛታት ናብ ካልእ ከባቢታት ከም ዝሃደሙን ገለ’ውን ብኣስገዳድ ናብ ኤርትራ ከም ዝተመለሱን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ እዩ። ቅደሚ እቲ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ኣብታ ክልል ኣስታት 100 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዝነበሩ ጸብጻባት ይሕብሩ። ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ መስከረም 2021 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሰራዊት ኤርትራን ምልሻታት ትግራይን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጾታዊ ዓመጽን ቅትለትን ዝርከቦም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸሙ ገሊጹ። ፍረዝጊ ዘርኣይ ተቐማጢ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ ዝነበረ ኤርትራዊ ስደተኛ ኮይኑ ኣብ ወርሒ ለካቲት እዩ ካብቲ ዝትኮሰሉ ዝነበረ ጠያይቲ ድሒኑ ናብ ዳባት በጺሑ። ንሱ፡ ነቲ ኣብ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ ዝነበረ ኩነታት ከረድእ ከሎ፡ እቶም ስደተኛታት መዐደጊ መግቢ ዝኸውን ገንዘብ ንምርካብ፡ ክዳውንቶም ክሳብ ምሻጥ ከም ዝበጽሑ፡ ብሰንኪ እዚ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ብምእታው ናብ ክልል ኣምሓራ ክሰግሩ ከም ዝግደዱን ኣረዲኡ። ፌይዝ ንኩነታት ናይቶም ኣብተን መዓስከራት ዝርከቡ 22500 ስደተኛታት ብዝምልከት ኣብ ዝሃበትና መብርሒ “ኩነታቶም ኣዝዩ ሕሱም እዩ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ከኣ እናኸፍአ እዩ ዝመጽእ ዘሎ” ድሕሪ ምባል፡ በቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተበጽሐ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ዘለዋ ተስፋ ገሊጻ። እንተኾነ ግና ዛጊት 21 መካይን ጥራሕ እየን ናብ ትግራይ ኣትየን፤ እዚ ከኣ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ሒደት ምዃኑ ትካላት ረድኤት ይገልጹ። “ኣብ ወወዳእታ ወርሒ ለካቲት ምስ ሰብ መዚ እቲ ከባብን መንግስቲ ኢትዮጵያን ድሕሪ ምዝርራብ ኣስታት 290 ሜትሪክ ቶን እኽሊ ካብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ትግራይ ናብ ሽረ ከም ዝኸይድ ብምግባር ናብ ማይዓይንን ዓዲሓሩሽን ተዓዲሉ” ኢላ ፌይዝ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው፡ ብዙሓት ስደተኛታት ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ብምእታው፡ ካብ መዓስከራት ዓዲ ሓሩሽን ማይዓይንን ናብቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተመስረተ ሓድሽ መዓስከር ክሰግሩ ከም ዝፍትኑ ቢቢሲ ካብቶም ስደተኛታት ክርዳእ ክኢሉ እዩ። ብወገን ሕቡራት ሃገራት ነዚ ብዝምልከት ዝተታሓዘ መደባት እንተሎ ዝተሓተት እታ ኣፈኛ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ነቶም ስደተኛታት ንምስግጋር ውሑስ ኮሪደር ከም ዘድልይ ሓቢራ። “እተን መዓስከራት ዝርከባሉ ከባቢ ውሑስ ስለዘይኮነ ነቶም ስደተኛታት ናብ ካልእ ክነግዕዞም ኣይከኣልናን። ስደተኛታት ብውሑስ ዝሰጋገሩሉ ኮሪደር ክኽፈትን ናብ ካልእ ቦታ ክሰጋገሩን ምስ መንግስቲ ንዘራረብ ኣሎና።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61049975"} {"headline":"ኤርትራ ኣብ ዕርቀ ሰላም ኢትዮጵያ ማዕረ ክንደይ ግደ ይህልዋ?","content":"ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ክልል ትግራይን ብመንጎኛነት ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ፡ ኣብ ኬንያ ዝርርብ ሰላም ከምዝጅምሩ ብማዕከናት ዜና ክቃላሕ  ድሕሪ ምቕናዩ፡ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ዘተ ሰላም ዝውክልዎ፡ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ጉዳያት ወጻእን ደመቀ መኮነን ዝምራሕ ሸውዓተ ዝኣባላቱ ኮሚተ ኣቝሙ ኣሎ። መራሒ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዶ\/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል እውን ኣብቲ ዝርርብ ላዕለዎት ወከልቲ ክልእኽ ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ። እቲ ኣብ ትግራይ ጀሚሩ፡ ናብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓመ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ዝተሻረኽሉ፡ ኣሽሓት ህይወትን ብቢልዮናት ዝግመት ንብረትን ዘጥፍአ፡ ሚልዮናት ሰላማውያን ዘመዛበለ ምስ ሓይልታት ትግራይ ዝተገብረ ውግእ፡ ‘ኵሎም ተጻባእቲ ኣብ ዘይራኸቡሉ መኣዲ ዘተ ብኸመይ ነባሪ ፍታሕ ክመጽእ ይኽእል?’ ዝብል ነገር ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ። ቢቢሲ ትግርኛ ነዚ ብዝምልከት ንገለ ምሁራን ኤርትራውያን ኣዘራሪቡ ኣሎ። እቲ ግጭት ብሕዳር 2020 ምስ ኣጋጠመ፡ ማሕበረሰ ሰብ ዓለም፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣሜሪካን ብሪጣንያን ውግእ ደው ክብልን ዘተ ሰላም ብህጹጽ ክጅመርን ተማሕጺኖም። ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ እቲ ዓመት ዝነበረ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሲሪል ራማፎሳ፡ ንፕረዚደንት ሞዛምቢክ ነበር ጃኮሞ ቺሳኖ፡ ንፕረዝደንት ላይበርያ ነበር ኢለን ጆንሰን-ሲርላፍን ከምኡ’ውን ክጋለማሞ ሞታላንቴ ነቲ ጉዳይ ክሽምግሉ ከም ዝመዘዞም ይዝከር። እንተዀነ፡ ዶ\/ር ኣቢይ ኣሕመድ፡  ‘ሰሜን እዝ ኣብ ድቃሱ እንከሎ ብጁንታ ህወሓት ስለዝተወቕዐ፡ ምስ ገበነኛታት ዝካየድ ሰላም የሎን’ ብምባል ነቲ ሕቶ ዕርቂ ኣይተቐበሎምን። ሽዑ ኸኣ መንግስቲ ፈደራል፡ ንህወሓት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ብሓይሊ ከምዝስዕሮ ተማኣሚኑ እዩ ነይሩ። እንተዀነ፡ ህወሓት “ሓመድ ልሒሱ” ሓይልታቱ ወዲቡ ንመቐለን ንዝበዝሐ ከባቢታት ትግራይን ተቘጻጺሩ፡ ናብ ደሴን ኮምቦልቻን ምስ ሰጎመ፡ እንደገና ማሕበረሰብ ዓለም መጠን ህልቂት ከይዛየደ ዕርቂ ክግበር ተማሕጺኑ። መራሕቲ ሰራዊት ትግራይ፡ “ናብ ደሴን ኮምቦልቻን ዝቐጸልና ንመንግስቲ ፈደራል ዘተ ሰላም ንኽቕበል ጸቕጢ ንምፍጣር’ዩ” ኢሎም፡ ሰፊሕ ቅድመ ኵነት'ውን ኣቐሚጦም። ወተሃደራዊ ጸብለልታ ምስ ጨበጡ ግን፡ “እቲ ኲናት እናተዛዘመ እዩ፡ ምስ መን ኢና ንዛተ?\" ክብሉ ተሰሚዖም። ሚዛን ሓይሊ ተቐያይሩ፡ እቲ ውግእ ዕለታዊ ሰባት እናቐዘፈ፡ ንብረት እናዕነወን ሰላማውያን እናመዛበለን ንኣዲስ ኣበባ ገጹ ምስ ቀጸለ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዕርቂ ክግበር ተማሕጺኑ። ወሃብ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣምበሳደር ዲና ሙፍቲ፡ ዕርቂ ክግበር እንተዀይኑ፡ “ህወሓት መጥቃዕቲ ደው ክብልን ንመንግስቲ ፈደራል ኣፍልጦ ክህብን ኣለዎ” ክብል ንዕርቂ ድሉው ምዃኑ ኣሚቱ። እንተዀነ፡ ሃንደበት እቲ ሎሚ ጽባሕ ንኣዲስ ኣበባ ክኣቱ እዩ ዝበሃል ዝነበረ ሓይሊ ህወሓት፡ ካብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ተደፊኡ ናብ ትግራይ ምስተመልሰ፡ መንግስቲ ፈደራል፡ “ሰራዊት ህወሓት ዕጥቁ ከየውረደ ዘተ ሰላም ዝበሃል የሎን” ናብ ዝብል ቃናኡ ተመሊሱ። ስለዝኾነ ይብል ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሃሺም፡ \"ፖለቲካዊ ኵነታት ኢትዮጵያ ኣዝዩ ስለዝተሓላለኸ፡ ኵሎም ተቐናቐንቲ ከይረደዩ ዘተ ሰላም ግብራዊ ክኸውን ይኽእል እዩ” ዝብል ነገር ከም ዘጠራጥሮ ይዛረብ። “ኣብቲ ንኣስታት 20 ኣዋርሕ ዝተኻየደ ደማዊ ውግእ ብዙሕ ደም ፈሲሱ፡ ዓቢ ሰብኣዊ ግህሰት ስለዝተፈጸመ ዘተ ሰላም ብቐሊሉ ንክረጋገጽ ግዜ ከድሊ እዩ” ይብል። ድሕሪ ነዊሕ ምትህልላኽ፡ ሕጂ ክልቲኦም ወገናት ክዘራረቡ ስለዝፈቐዱ ግን፡ ዘተስፉ ምዃኑ ይገልጽ። ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ኣብ መንጎአን ዝነበረ ዶባዊ ግጭት ብሰላም ክፈትሓኦ ስለዘይከኣላ፡ ን20 ዓመታት ዶባተን ተዓጽዩ ንግዳዊ ይዅን ሰብኣዊ ርክብ ተቛሪጹ ጸኒሑ። ብሰንኪ ኣይ-ኩናት ኣይ-ሰላም፡ ኣብ ክልቲኡ ህዝብታት ዝተፈጥረ ስደትን ድኽነትን ከቢድ እዩ። ስለዝዀነ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንሰላም ዝጸንሖ ናፍቘትን ፍቕርን ዶባት ጽልኢ ብዕርቀ ሰላም ኣብ ዝፈረሰሉ እዋን ሓጐሱ ብንብዓትን ፍቕርን ገሊጽዎ እዩ። እዚ ሕጂ ተጀሚሩ ዘሎ ዘተ ሰላም’ውን፡ ንሓደ ነጺልካ ዘይኮነስ ንዅሎም ተቐናቐንቲ ዘጸንበረ ክኸውን ኣሎዎ፡ ይብል፡ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ኢትዮጵያ ተወካሊ ክልል ኣምሓራ፡ ኣቶ ደሳለኝ ጫኔ። ድሕሪ ናይ 18 ኣዋርሕ ኵናት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ንባይቶ ሃገሩ ብዛዕባ ምስ ህወሓት ዝግበር ዘተ ሰላም ድሕሪ ምግላጹ እዩ፡ ኣቶ ደሳለኝ ጫኔ፡  “እቲ ዘተ ክልል ኣምሓራን ኤርትራን እንተዘይተሳቲፎምዎ ክዕንቀፍ ይኽእል’ዩ” ዝብል ርእይቶ ዝሃበ። ነቲ ሕልኽልኽ ዝበለ ኵነታት ብቐረባ ዝከታተል ናይ ነዊሕ ዓመታት ናይ ውግእ ተመኵሮ ዘለዎ ገዲም ተጋዳላይ መጎስ ብርሃነ ግን፡ “እዚ ሕጂ ዝበጋገስ ዘሎ ኣጀንዳ ሰላም ንዘይተርፍ ካልእ ኵናት ንምድላው እኹል ግዜ ንምርካብ ዝግበር ዘሎ መዐደግ ግዜ ከይኮነ ኣይተርፍን’ዩ” ዝብል ርእይቶ የቐምጥ። ሰላም ማለት፡ ኣብ መወዳእታ ረብሓታትካ ብዘይ ጐነጽን ግጭትን ብሰላም ምርካብ ማለት ምዃኑ ዝገልጽ ዓብዱራሕማን ኣቡሃሺም፡ “እዚ ናይ ሕጂ ዘተ ሰላም ንኢትዮጵያውያን ጥራሕ ዝምልከት'ኳ እንተኾነ፡ ንኤርትራን ኵሎም እቶም ኣብ ውግእ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ዝተሳተፉ ሓይልታት ዘማእክል ሓያል ዲፕሎማሲያዊ ጻዕርታት እንተዘይተኻይዱ፡ ክዕንቀፍ ይኽእል እዩ” ክብል ስክፍታኡ የቐምጥ። ኣቶ ሰንጋል ወልደንሰአ ግን፡ እዚ ሕጂ ብኸቢድ ጸቕጢ ማሕበረ ሰብ ዓለም፡ ኣመሪካ፡  ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኤውሮጳን መሻርኽቲ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃን ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ዘተ ሰላም፡ እቲ እንኮ ንሰላማዊ ፍታሕ ተጻባእቲ ሓይልታት ምዃኑን ካልእ ኵሉ ናይ ውግእን ሓይልን ኣማራጺ ፈጺሙ ዘየዋጽእን ክኹነን ከምዝግባእን ብምግላጽ፡ እቲ ሰላም ክዕወት ከምዝኽእል ይኣምን። “እዛ ብቝጠባ ተዳኺማ ኣብ ከቢድ ጸገም እትርከብ ዘላ ኢትዮጵያ ብዘይ ሰብኣዊ ረድኤትን ናይ ምዕባለን ወፍርን ሓገዝን ክትነብር ስለዘይትኽእልን ስለዘየዋጽኣን፡ እዚ ዘተ ሰላም ዘገም እናበለ ናብ ፍታሕ ከምርሕ እዩ፡” ዝብል  እምነቱ የቕርብ። እቲ ዕርቀ ሰላም ኣብ መንጐ ኢትዮጵያውን ተቐናቐንቲ ህወሓትን ብልጽግናን ይግበር ስለዘሎ፡ ኤርትራ ክትሳተፍ ምተገብኣ ዝብል ዘረባ ከቢድ ምዃኑ ዝጠቅስ ኣቶ መጎስ፡ “እቲ ድሕሪ ኵናት ዶባት ኢትዮ-ኤርትራ 1998-2000፡ ብኣህጉራዊ መጋባእያ ዝተዋህበ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን፡ ብሰንኪ ኣብቲ እዋን ንኢትዮጵያ ዓብሊሉ ዝነበረ ውድብ ህወሓት ብኣግባቡ ስለዘይተፈጸመ፡ እዚ ሕጂ ስዒቡ ዘሎ ከቢድ ጥፍኣትን ህልቂትን እኹል መምሃሪ ስለዝኾነ፡ ሕጂ'ውን ካልእ ህልቂት ከይስዕብ ኣብ ኵናት ትግራይ እተሳተፉ ሓይልታት ዝዕረቕሉ መገዲ ክናደ ይግባእ፡” ክብል ይዛረብ። ኣብ ውግእ ትግራይ፡ ሓይልታቱ ምስ መንግስቲ ፈደራል ዘሰለፈ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ዝነበሮ ዝምድና ከምዝዘሓለን ኣብ ኣተኣላልያ እቲ ውግእ ዘይምርድዳእ ከም ዝጸንሖምን ዝዛረብ ኣቶ መጎስ፡ ሓይልታት ኢትዮጵያ ጸገማቶም ብዕርቀ ሰላም ክውድእዎ ማዕረ ክንደይ ድላይ ይህልዎ ዝብል ሕቶ ኣዘራራቢ ምዃኑ ይጠቅስ። “ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ሓደ ሓደ መራሕቲ ህወሓት፡ ‘ንኤርትራ ኣቲና ድላይና ጌርና ክንወጽእ ዝኽልክለና የሎን’ ስለዝብሉ፡ ስርዓት ኤርትራ ምስ መራሕቲ ወያነ ንዘለዎ ከቢድ ቅርሕንቲ ብሰላም ዝውድኦ ኣይመስለንን” ብማለት ከምቲ ኣቡሃሺም ዝበሎ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኮነ ኣብ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ጽልዋ ዝህልዎም ሓይልታት ብዲፕሎማሲያዊ ዝርርብ ክሕቈፉ ይግባእ ይብል። ኣብ ርእሲኡ ኣብዚ እዋን እዚ መንግስቲ ኤርትራን ካብ ህወሓት “ወራር ይሽትት ኣሎ” ብምባል ኵሉ ሓይልታቱ ኣብ ዝለዓለ ተጠንቀቕ ገይርዎ ከምዘሎ ኣቶ ሰንጋል ይገልጽ። እዚ ማለት ከኣ፡ እቲ ኣብ ዕጽዋን ከበባን ንእትርከብ ክልል ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ህወሓት፡ ምስ መንግስቲ ፈደራል ንዘለዎ ጉዳይ ብሰላማዊ ዘተ እንተዘይፈቲሕዎ፡ ናብ ሱዳን ዘእቱ መስመር ሑመራ ክኸፍቶ ክግደድ ስለዝኾነ፡ ምስ ሰራዊት ክልል ኣምሓራ ዝሻረኽ ምስ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ውግእ ከምዘይተርፍ ይሕብር። ኣቶ ሰንጋል ወሲኹ፡ ኣብዚ ሕጂ ዝበጋገስ ዘሎ “ብባይታ ንስምምዕ” ዝገለጾ ዝርርብ ሰላም ከምቲ ትጽቢት ዝግበረሉ እንተዘይሰሪሑ፡ እቲ ዘሰክፍ ተፈቲኑ ዘየፍረየ ናይ ውግእ ሃዋህው ክመጽእ ከምዝኽእል ግምቱ የቐምጥ። እተን ብማይ ፈለግ ኣባይ [ኒል] ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ቀጻሊ ምስሕሓብን ዘተን ዝርከባ ግብጽን ሱዳንን ከይተረፈ ኣብ መንጐ መንግስቲ ፈደራልን ህወሓትን ግጭት ምስ ተኸስተ እቲ ጉዳይ ብሰላማዊ ዘተ ክዓርፍ ጸዊዐን ነይረን። ብፍላይ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ነበር ዓብደላ ሓምዶክ፡ ኣስታት 60ሽሕ ተጋሩ ስደተኛታት ንሱዳን ምስ ፈሰሱ፡ ንህወሓትን መንግስቲ ፈደራልን ንኽሽምግል ብዛዕባ ተበግሶኡ ንሓለፍቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኢጋድ፡ ኤርትራን ፈረንሳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብዙሓት ምቕሉላት ምዕራባውያን ሃገራትን ሓቢሩ ንኣዲስ ኣበባ ኣትዩ ነይሩ። እንተኾነ፡ ሽዑ ወተሃደራዊ ጸብለልታ ዝነበሮ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣቢይ ኣሕመድ ግን ኣይተቐበሎን። ሽዑ እቲ ብሲቪልን ሚሊታሪን ዝቘመ ንስርዓት ኣልበሽር ብዝዓለወ ህዝባዊ ናዕቢ ስልጣን ዝተረከበ መንግስቲ፡ ገና ድልዱል መሰረት ስለዘይተኸለ፡ እቲ መሪሕነት ኣብ ግጭት ኢትዮጵያ ሓባራዊ ስሙር ኣረኣእያ ከምዘይነበሮ ኣቶ መጎስ ይሕብር። ኣይደንጐየን’ውን ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣልፋሽጋ ብዝተባህለ ስቡሕ መሬት ሕርሻ ኣብ ግጭት ኣትየን። እቲ ሽዑ ዝተወልዐ ግጭት፡ መንግስቲ ሱዳን ብፍላጥ ንህወሓት ንምሕጋዝን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ፈደራል ጸቕጢ ንምግባር እዩ ወሲድዎ ከም ዝበሃል’ውን የረድእ። ኣቶ ሰንጋል ወልደንሰአ ኢትዮጵያ እትኣክል ልዕሊ 100 ሚልዮን ብዝሒ ህዝብን ገዚፍ ሰብኣዊ ጸጋታት ዘለዋ ሃገር ብዘይ ሰላማዊ ምርግጋእ ክትዓብን ክትምዕብልን ስለዘይትኽእል፡ ንሰላም ከቢድ ዋጋ ክትከፍል ስለዘለዋ፡ እቲ ዘተ ሰላም ክዕወት ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ወሲኹ ይገልጽ። እንተዀነ፡ ነቲ ዘተ ሰላም ብቐረባ ዝከታተልዎ ዘለዉ ወገናት፡ ህወሓት ኣብ ኣመራርሓ ኮሚሽን ሕብረት አፍሪቃ እምነት ከምዘይብሉ ምግላጹን ፈደራላዊ መንግስቲ ከኣ ነቲ ዝርርብ ሕብረት ኣፍረቃ እንተመሪሕዎ ጥራሕ ከምዝሳተፍ ምሕባሩን እቲ ዘተ ሰላም ከይብርዕን ስክፍታ ከም ዝፈጠረሎም ዝገልጹ ኣለው።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cjm04k1zn11o"} {"headline":"ኤርትራ፡ ኣብ ዘተ ሰላም ኢትዮጵያ ክትሳተፍ ዝቐረበላ ዕድመ ኣሎ ድዩ?","content":"ንኣስታት 20 ኣዋርሕ ኣብ ኲናት ጸኒሖም ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ተጻብኦ ዘቋረጹ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ኣብ ቀረባ እዋን ንሰላማዊ ዘተ ኰፍ ክብሉ’ዮም ዝብል ተስፋታት ይርአ ኣሎ። እቲ መኣዲ ዘተ ክውን እንተዀይኑ፡ ኲናት ሓድሕድ ከብቅዕን ብኲናት ዝተጎድኡ አህዛብ ንፋስ ሰላም ከስተንፍሱ ትጽቢት ይግበር። ኣብ ዝሓለፈ 14 ሰነ 2014 [ግእዝ] ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፡ መንግስቲ ንሰላማዊ ዝርርብ ድልው ምዃኑ ገሊጹ። መራሕቲ ትግራይ እውን ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ንልዝብ ቅሩባት ምዃኖም ብወግዓዊ ደብዳበ ገሊጾም። ብድሕሪኡ ማእከላይ መንግስቲ፡ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮንን ዝርከቦም ሸውዓተ ኣባላት ዘለውዎ ተደራዳሪ ኮሚቴ ኣቊሙ። እዚ ዓሰርታት ኣሽሓት ህይወት ዘህለቐን፡ ሚልዮናት ሰባት ዘመዛበለን  ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብ ሞንጐ ፌደራላዊ መንግስትን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ'ኳ እንተጀመረ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራን ግህሰት ሰባዊ መሰላትን እውን ኣኸቲሉ እዩ። ብተወሳኺ ምስ ሰራዊት ፈደራል ተሻሪኹ ኣብቲ ኵናት ዝተሳተፈ ሰራዊት ጐረቤት ሃገር ኤርትራ ሰብኣውን ንዋታውን ጉድኣትን ሰብኣዊ ግህሰትን ከምዝፈጸመ ብዓለምለኻዊ ትካላት ክንቀፍ ጸኒሑ ኣሎ። ሕጂ፡ ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን ናብ መኣዲ ዘተ ክቐርቡ ኣብ ዝሰማምዕሉ ዘለው እዋን፡ ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ንኤርትራን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ዝውክል ድምጺ’ውን ክስማዕ ኣለዎ ዝብል ጽንጽንታታት ክስማዕ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፉ ቅንያት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣውጺኡዎ ዝተባህለ፡ እቲ መኣዲ ዘተ ንኤርትራ እውን ክሕውስ ከም ዘለዎ ዝሕብር ደብዳበ'ውን ስኑዕ ከም ዝዀነ እዩ ዝግለጽ። ዋላ’ውን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ኣብዚ ልዝብ ክውከል ይግባእ’ዩ እንተተባህለ፡ እቲ ክልል፡ በቶም ብሸነኽ መንግስቲ ፌደራል ተሓጽዮም ዘለው ምኽትል ኣመሓዳሪ እቲ ክልል ኣቶ ጌታቸው ጀምበሬ፡ ፕረዚደንት እቲ ክልል ነበር ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህን ብዝኣመሰሉ ሰባት ክውከል’ዩ ዝብል ርእይቶ ይቐርብ እዩ። እቲ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብዚ ዘተ ሰላም ዘተ ክሳተፍ ይግባእ’ዶ ኣይግባእን ዝብል ጉዳይ ግን ኣካታዒ ኰይኑ ኣሎ። መራሕቲ ትግራይ፡ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ንምዝርራብ ቅሩብነቶም ኣብ ዝገለጽሉ እዋን፡ እቲ ዘተ ብሸምግልና ኬንያ ንኽካየድ ልኡኻቶም ናብ ኬንያ ክሰዱ ድሉዋት ምዃኖም ገሊጾም ነይሮም። ኣብቲ ኣቦ መንበር ህወሓትን ፕረዚደንት እቲ ክልልን ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝኸተመሉ ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተዘርግሐ ደብዳበ፡ ኣብቲ ብመሪሕነት መንግስቲ ኬንያ ዝካየድ ድርድር ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣሜሪካን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ተሳተፍቲ ክዀኑ ይሓትት። ይዅን’ምበር፡ እቶም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ መንግስቲ ኤርትራን ክሳብ ሕጂ፡ ‘ኣብ ክልል ትግራይ ናይ መሬት እጀታ ኣሎና’ ዝብሉ ሓይልታት ኣምሓራን ኣብዚ ድርድር ክሳተፉ ድዮም ኣይሳተፉን ዝብል ብወግዒ ዝተገልጸ ነገር የለን። ረብሓ ህዝቢ ኣምሓራ ነኽብር ኢና ዝብሉ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ተሓለቕቲ መንግስቲ ኤርትራን ግን፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ ዘተ ክካተቱ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ የልዕሉ። ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታት ህወሓት ዘካይድ ኣምባሳደር ፍስሃ ኣስገዶም ቅድም ኢሉ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ህወሓት ኣብዚ ድርድር ኣብ ሓሙሽተ ነጥብታት ትዅረት ከም ዝገብር ሓቢሩ ነይሩ። እዚኦም ድማ፡ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ናብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበሮ ክምለስ፣ ኣብ ትግራይ ድምጺ ህዝበ ውሳነ ክካየድ፣ ኣብቲ ኲናት ዝተፈጸሙ ግህሰታት ዝምልከት ተሓታትነት ክህሉ ምግባር፣ ንዝበጽሐ በደል ምኽሓስን ሰራዊት ትግራይ ዕጥቁ ዘይምፍታሕን ምዃኖም ጠቒሱ’ዩ። እንተዀነ፡ እቲ ቅድሚ ኲናት ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ትግራይ ዝነበረን ካብ ክልል ኣምሓራ ሕቶ ይግብኣኒ ዝቐርበሉን ዘሎ ምዕራብ ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ዶባት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝርከቡ ገለ ከባቢታት ትግራይን ሕጂ’ውን ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ከምዘለው እዩ ዝግለጽ። መንግስቲ ትግራይ ድማ፡ እቲ ድርድር ቅድሚ ምጅማሩ እዞም ሓይልታት ካብቲ ክልል ክወጽኡ ይሓትት። ሓይልታት ኤርትራ፡ ኣብቲ ኲናት ብምስታፎምን ሕጂ’ውን ኣብ ትግራይ ምህላዎምን ድማ ኣብቲ ልዝብ ንኽሳተፉ ምኽንያታት ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ገለ ወሃብቲ ርእይቶ ይገልጹ። ኣማኻሪ ሕግን ፖለቲካን ሙሴ ኤፍሬም፡ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መገዲ ምፍታሕ ብሓፈሻ ኣብቲ ዞባ [ቀርኒ ኣፍሪቃ] ዘላቒ ሰላም ንኽህሉ ሓጋዚ ተራ ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ነዚ ኣብ ኲናት ትግራይ ተሳተፍቲ ዝነበሩ ኵሎም ሓይልታት ኣብቲ ድርድር ክሳተፉ ኣለዎም ይብል። “ኣብዚ ጕዳይ [ኲናት] ኤርትራ ኢድ ከም ዘለዋ ግልጺ’ዩ። ኵላትና ሰላም ንኽንረክብ፡ ኣብቲ ዞባ ብሓባር ክንነብር ዘኽእል ሰላም ክመጽእ እንተዀይኑ ድማ፡ እቶም ተዋጋእቲ ሓይልታት ናይ ውሽጢ ይዅኑ ናይ ወጻኢ ኣብቲ ድርድር ክሳተፉ ኣለዎም። እንተዘይኰይኑ ነቲ መስርሕ ዘበላሽው ባህርያት ክንርኢ ንኽእል ኢና” ኢሉ። በዓል ሞያ ዓለምለኻዊ ሕጊ ኤልያስ ሃብተስላሴ ግን በዚ ሓሳብ ኣይሰማማዕን። ናይዚ ምኽንያት ከረድእ እንከሎ ድማ፡ እቲ ኲናት ብባህሪኡ ኣብ ሞንጐ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ማእከላይ መንግስትን ብዝነበረ ምስሕሓብ ስለዝመጽአ ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ውሽጣዊ ጐንጺ ተባሂሉ’ዩ ዝጽዋዕ ይብል። ስለ ዝዀነ ድማ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጐንጺ ሓንቲ ሃገር ኢድ ዘእተወ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ተሓታቲ’ዩ ዝኸውን እምበር ንሰላም ኣብ ዝግበር ድርድር ዝኣትወሉ ምኽንያት የለን ክብል ይካታዕ። “ኣብ ጉዳይ ካልእ ሃገር ምእታው ብሕጊ ዝተኸልከለ’ዩ ። ስለዚ ኤርትራ ኣብቲ ጐንጺ ብምንታይ መልክዕ’ያ ተሳቲፋ? ተሳትፎኣ የሕትታ ድዩ? ኢዳ ዘእተወትሉ መገዲ ትኽክል ድዩ ኣይኰነን? ዝብሉ ብዙሓት ሕቶታት ኣለው። \"ነዚኦም ዝምልስ ነብሱ ዝኽኣለ ዓለምለኻዊ ሕጊ ኣሎ። እቲ ሕጂ ዝካየድ ድርድር ግን ውሽጣዊ ጕዳይ’ዩ ዝብል እምነት ስለዘለኒ ናይ ኤርትራ ምስታፍ ሕጋዊ መሰረት የብሉን\" ይብል። ዊልያም ዴቪሰን ብወገኑ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ልዝብ ክሳተፍ እንተዀይኑ’ውን ግዜኡ ሕጂ ኣይኰነን ይብል። “መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ኲናት ደው ኣቢሎም ንልዝብ ቆራጽነት ምርኣዮም ሓደ ዓቢይ ነገር’ዩ። ኣብዚ መንግስቲ ኤርትራ ክሳተፍ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ጸገም የብሉን። ግን መንግስቲ ኤርትራ ክሳተፍ ከም ዝደሊ እንታይ መረጋገጺ ኣሎና? ብወገኑ ዝሰማዕናዮ ነገር የለን” ኢሉ። ኣብቲ ኲናት ሓድሕድ፡ ሰራዊት ካልእ ሃገር [ኤርትራ] ተሳቲፉ’ዩ ዝብል ዴቪሰን፡ ንዅሉ ዘሳተፈን ሰላምን ርግኣትን ምምጻእ ዝድለ እንተዀይኑ ግን፡ ኣብ ሓደ እዋን ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ኤርትራን ክዘራረቡ ከም ዝግባእ ይጠቅስ። ይዅን’ምበር፡ እቲ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው “መራሕቲ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ናብ ሓደ ጠረጴዛ ምምጻእ ንርእሱ ከቢድ ኰይኑ’ዩ” ይብል። ኣብ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ መላፍንቲ ቓልሲ ዝነበሩ ህወሓትን እቲ ንኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ህዝባዊ ግንባርን፡ ብኵናት ዶባት ምስተዳመዩ ዝነበሮም ርክብ ሓርፊፉ ንሓድሕዶም ከም ጸላእቲ ክጠማመቱ እዮም ጸኒሖም። ሓይልታት ትግራይ ምስ መንግስቲ ፌደራል ናብ ጐንጺ ምስ ኣምርሑ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ንፌደላራዊ መንግስቲ ደጊፉ ኣብቲ ኲናት ተሳቲፉ። ሓይልታቱ ድማ፡ ኣብቲ ኲናት ብዝተፈጸሙ ከበድቲ ግህሰታት ገበን ኲናት ክኽሰሱ ጸኒሖም። መንግስቲ ኤርትራ ግን ነቶም ክስታት ይነጽጐም’ዩ። እቲ ኣብ ሞንጐ ህወሓትን ማእከላይ መንግስትን ዝነበረ ኲናት ምዝሕሓል እንተኣርኣየ’ውን፡ ሓሓሊፉ ኣብ ሞንጐ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ኤርትራን ዝልዓሉ ረጽሚታት ከም ዘለው ይዝረብ። ስለ ዝዀነ ድማ፡ እቲ ጐንጺ ፍታሕ ንኽረክብ ከምኡ’ውን ኤርትራ እተልዕሎም ሕቶታት ዘተ ንኽግበረሎም፡ እቲ ዝውጠን ዘሎ ልዝብ መንግስቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘካተተ ክኸውን ኣለዎ ዝብሉ ኣለው። ይዅን’ምበር፡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ሕቶ ዶብ፡ ንክልል ትግራይ ዘይኮነስ ንኢትዮጵያ ብዓባያ እዩ ዝምልከት ዝብል ምሁር ሕጊ ኤልያስ፡ እዚ ድማ ብጉዳያት ወጻእን ዓለምለኻዊ ሕግን ዝፍታሕ እዩ ኢሉ። “ነዚ ኣመኻንያ ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳይ ኢትዮጵያ እትኣትወሉ ዝዀነ ዓይነት ምኽንያት የብላን። ክሳብ ሕጂ ንዝገበረቶ ምትእትታው ብሕጊ ክትሕተት ትኽእል እያ።\" ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዙርያ ኣፈታትሓ ጐንጺ ሶማልያ ተሳትፎ ዝነበሮ በዓል ሞያ ሕጊ ሙሴ ኤፍሬም ግን፡ ኤርትራ ንጐኒ ምግዳፍ ነቲ ናይ ሰላም ጻዕሪ ከዐንቅፎ ይኽእል’ዩ ዝብል ርእይቶ እዩ ዘለዎ። “ንኤርትራ ዘየካተተ ልዝብ እንተተጀሚሩ፡ ከምቲ ኣብ ሶማልያ ዝርኣናዮ፡ [ኤርትራ] ዝዀነ ሓይሊ ተጠቒማ ነቲ ሰላም ክትዘርጐ ትኽእል እያ። ማሕበረሰብ ዓለም፡ ኣብ ሶማልያ ዘለው ኵሎም ሓይልታት ሓቢሮም ከምዝዛተዩ ብዘይምግባሩ እቲ ጸገም ክሳብ ሕጂ ኣይተፈትሐን። \"ስለዚ ንድሕሪት ዝግደፍ ሓይሊ ክህሉ የብሉን። ድሕሪኡ፡ ንውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ዝምልከቱ ዛዕባታት ምስ ዝህልው ግን ኢትዮጵያውያን ጥራይ ዝሳተፉሉ ዝርርብ ክግበር ኣለዎ” ይብል ሙሴ። ተቓወምቲ ሰልፍታት ትግራይ፡ ማሕበረሰብ ዓለም እቲ ንልዕሊ 20 ኣዋርሕ ዝዘለቐ ኲናት ብሰላማዊ መገዲ ንኽውዳእ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ብምንኣድ ውጽኢታዊ ክኸውን እዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎም ይገልጹ። እንተዀነ፡ ኣብቲ መስርሕ ዘተ ሰላም ዝተታሕዘሉ ኣገባብ ዝምልከት ሕቶ የልዕሉ። ውድባት ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ፡ ሳልሳይ ወያነ ትግራይን ውድብ ናጽነት ትግራይን ብሓባር፡ እቲ ድርድር ኣብ ሞንጐ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ጥራይ ክካየድ ምሕሳብ ልክዕ ኣይኰነን ይብሉ። እቶም ሰልፊታት ብ23 ሰነ 2022 ኣብ ዘውጽኡዎ ሓበራዊ መግለጺ፡ \"ህወሓት ትኽክለኛ ድልየትን ረብሓን ህዝቢ ትግራይ ስለ ዘየኽብር፡ ኣብ ዙርያ ዕጫ ህዝቢ ትግራይ ናይ ምድርዳር ሕጋዊ ስልጣን የብሉን። ካብኡ ሓሊፉ ህዝቢ ትግራይ ንህልውንኡ ይቃለስ ስለ ዘሎ ኣብቲ ድርድር፡ ብሰፊሕ ውህደት ወከልቱ ክውከል ኣለዎ\" ይብል። ተቓወምቲ ሰልፊታት ትግራይ፡ ህወሓት ብሕታዊ ወኪል ህዝቢ ትግራይ ገይርካ ምውሳድ ዘላቒ ሰላም ኣየምጽእን ክብሉ ይምጉቱ። ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ሰልፊ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ሃይሉ ከበደ፡ እቶም ሰልፍታት ኣብቲ ልዝብ ክንሳተፍ ኣለና ዝብልሉ ዘለው ምኽንያት፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ “ህዝባዊ ቃልሲ’ዩ ኢልካ ካብ ምእማን ዝምንጩ’ዩ” ይብል። ብተወሳኺ፡ “ኣብ ልዕሊ ህወሓት እምነት የብልናን፤ ምኽንያቱ ታሪኽ ድርድር ህወሓት ድኹምን ወትሩ ተሳዒሩ ዝመጽእን እዩ። እቲ ልዝብ ትግራይ ናብ ዝነበረቶ ኵነታት ናይ ምምላስ ጥራይ ዘይኰነ ዕጫ ህዝቢ’ውን ዝውስን ስለ ዝዀነ፡ እዚ ንሓደ ሓይሊ ጥራይ ዝግደፍ ኣይኰነን” ኢሉ። ይዅን'ምበር፡ ኣብ መጀመርታ ዙርያ እቲ ልዝብ ዝጭበጥ ውጽኢት ትጽቢት ከም ዘይገብር እቶም ወሃብቲ ርእይቶ የረድኡ። ኣብ ሞንጐ እቶም ተደራደርቲ ሓይልታት ዘሎ ኣፈላላይ ሰፊሕ ምዃኑ፡ ፖለቲካዊ ምትፍናንን ኲናትን ዘስዓቦ ምቅሕሓር፡ ከምኡ'ውን ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ሓይልታት ዝፈጸሙዎም ገበናት ዝምልከቱ ክትዓት ትጽቢት ስለ ዝግበር፡ እቲ ልዝብ ግዜ ክወስድ ከም ዝኽእል እቶም ሰብ ሞያ ሓቢሮም። ብኻልእ ወገን፡ መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን፡ ንሰላም ቅሩባት ከም ዝዀኑ'ኳ እንተገለጹ፡ \"ንኽልቲኦም ክጠቕሞም ዘይክእል ቅድመ ኵነት ምስ ዝህሉ ንምቕባል ድሉዋት ዘይምዃኖም\" ስግኣት ዝፈጥር'ዩ ክብል ዴቪሰን ተዛሪቡ። ፕረዚደንት ናይጄሪያ ነበር ኦሊሰንጎን ኦባሳንጆ፡ ኣብ ቀረባ ናብ ኢትዮጵያ ብምኻድ ምስ መራሕቲ ትግራይን ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተዛትዩ ነይሩ። ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዀነ ኦባሳንጆ፡ ነቲ ሕብረት ብምውካል ኣብ ሞንጐ መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድን መራሕቲ ትግራይን ዘሎ ጐንጺ ብልዝብ ንምፍታሕ ጻዕሪ ክገብር ጸኒሑ'ዩ። ይዅን'ምበር፡ ህወሓት እቲ ልዝብ ብሕብረት ኣፍሪቃ ክምራሕ ድልየት ስለ ዘይብሉ፡ መንግስቲ ኬንያ ዘማእዝኖ ልዝብ ክካየድ ይጠልብ። ላዕለዋይ ተመራማሪ ክራይስስ ግሩፕ ዊልያም ዴቪሰን እቲ ልዝብ ዝተጓተተን ምድንጓያት ዝበዝሖን እዩ ይብል። “መንግስቲ ፌደራል፡ ንዕኡ ወኪሎም ኣብቲ ዘተ ዝሳተፉ ሰባት ሰምዩ እዩ፤  ህወሓት ግን ገና ኣየፍለጠን። ይዅን’ምበር ክልቲኦም ናብ ግብሪ ኣይኣተውን ዘለው” ይብል። ክልቲኦም ተደራደርቲ ወገናት፡ እቲ ልዝብ ቅድሚ ምጅማሩ ክሰማምዑሎም ኣብ ዝግብኡ ነገራት ተሰማሚዖም ድዮም ኣይተሰማምዑን ዝብል ብወግዒ ዝፍለጥ ነገር ዘይምህላው’ውን ይጠቅስ። “ንኣብነት ህወሓት፡ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ክኽፈቱ ይጠልብ’ዩ፤ መንግስቲ ፌደራል ከኣ ኣቐዲሙ እቲ ልዝብ ክጅመር ይደሊ” ዝብል ዴቪሰን፡ ክልቲኦም ሓይልታት ኣብ ረጽሚ'ኳ እንተዘይሃለው ናብ ዘተ ሰላም ንምእታው ግን ልዕሊ እቲ ትጽቢት ዝተገብሮ ግዜ ከምዝወሰዱ ይኣምን። ነዚ ከደናጕይዎ ዝኽእሉ ጉዳያት ከይተፈትሑ እንተቐጺሎም ድማ ብዙሓት ነገራት ክተሓላለኹ ከም ዝኽእሉ ይገልጽ። “እቲ ዝርርብ ክሳብ ሕጂ ዘይምጅማሩ ከተሓሳስበና እዩ ዝግባእ። እዚ ኣብ ሞንጐ ክልቲኦም ዝጸንሐ ኲናት ክደግስ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኣብ ሞንጐ ሓይልታት ትግራይን ኤርትራን ወይ’ውን ኣብ ሞንጐ ሓይልታት ትግራይን ኣምሓራን ጐንጺ ክልዓል ከም ዝኽእል’ውን ክንዝንግዖ የብልናን” ይብል።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cpdxl89e81go"} {"headline":"ኢትዮጵያ ቅልውላው ትግራይ፡ ካብ ምንኵስና ናብ ወተሃደርነት-ንቤተክርስትያን ናብ ክልተ ዝመቐለ ውግእ","content":"ኣብታ ካብ ኣኻውሕ ብዝተፈልፈለ ጥንታውን ታሪኻውን ኣብያተ-ክርስትያናት እትፍለጥ ሃገር መስቀልን መጽሓፍ ቅዱስን ሒዙ ንፈጣርን ምእመናን ዘገልግል ዝነበረ ሓደ ኢትዮጵያዊ ፈላሲ፡ ኣብቲ ንኢትዮጵያን ቤተክርስትያን ኣርቶዶክስን ዝኸፈለ ኵናት ኣንጻር ሓልታት ትግራይ ክዋጋእ ጠበንጃ ዓጢቑ ኣሎ። \"ብጸሎትን ብረትን ብኽልቲኡ ክዋጋእ እየ” ይብል ኣባ ገብረማርያም ኣደራው። እቲ ስሙ \"ኣገልጋሊ ማርያም\" ዝትርጕሙ ፈላሲ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኵሉ ዓቕሚ ዘለዎ ዘበለ ኢትዮጵያዊ፡ ኣብቲ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝግበር ቃልሲ ክሳተፍ ጻውዒት ምስ ኣቕረበ’ዩ ኣባ ገብረማርያም ናብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተጸምቢሩ። ህወሓት፡ ኣብ ብዙሕ መዳያት ፖለቲካዊ ጽገና ኣብዪ ኣሕመድ ምስምማዕ ምስ ሰኣነ እዩ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ማእከል ክልል ትግራይ ዕጥቃዊ ተቓውሞ ጀሚሩ። ኣባ ገብረማርያም፡ \"ኢትዮጵያ ክትፈርስን፡ ካህናት ክቕተሉን ምስ ረኣኹ፡ብዘይካ ምቅላስ ካልእ ምርጫ የሎን ብማለት እየ ናብ ሓይልታት ምክልኻል ተጸንቢረ” ክብል ንቢቢሲ ኣምሓርኛ ተዛሪቡ። ንሱ ድሮ ኣብ ጐረቤት ናይቲ ዝነብረሉ ክልል ኣምሓራ ካብ ዝርከቡ ሚሊሻ ወተሃደራዊ ስልጠና ከም ዝረኸበ ሓቢሩ። \"ኣብ ውግእ ከይውጋእ፡ ከይስንክል ወይ ከይመውት ምንም ስግኣት የብለይን። ንዅሉ ነገር ክቕበል ድሉው እየ። ንኣምላኽ ጥራይ እየ ዝፈርሕ” ኢሉ። ሓይልታት ትግራይ፡ ከም ምላሽን ግብረ መልስን ናይቶም ንሓያሎ ቦታታት ትግራይ ተቖጻጺሮም ዝነበሩ ሓይልታት ኣምሓራ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ ንከም ላሊበላ ዝኣመሰላ ኣብ ትሕቲ ዓለማዊ ውርሻ ተፈላጥነት ዘለወን ኣብ መበል 12ን 13ን ክፍለ ዘመን ካብ ኣኻውሕ ዝተፈልፈለን ዝተጸርበን ኣብያተ ክርስትያን ዘለዋ ጥንታዊት ገዳምን ንካልኦት ሓያሎ ኣገደስቲ ከተማታት ኣብ ክልል ኣምሓራ ተቖጻጺሮም። \"ኣብ ላሊበላ ልዕሊ 700 ካህናት ኣለዉ። ሕጂ ግን ህወሓት ነቲ ከባቢ ስለዝተቖጻጸሮ ኣገልግሎታት ስለዝተቛረጸ ደሞዝ እውን ኣይክረኽቡን ዘለዉ\" ይብል ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ዝምህር ምንይችል መሰረት። ኣብ ላሊበላ ዝኾነ ዕንወት ከምዝወረደ እኳ እንተዘይተገለጸ፡ ኣቶ ምንይችል ግን፡ ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ሓያሎ ካልኦት ኣብያተ ክርስትያናት፡ ገንዘበን ምግብን ከምኡ'ውን ጥንታዊ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ከም እተዘርፈን፡ እዚ ከኣ መርኣያ ናይቲ ውድብ ህወሓት \"ንሃይማኖታውን ባህላውን ክብርታትን ቦታታትን ግቡእ ዕቝባ ከይሃበ ውግእ የካይድ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ” ይብል። ኣብ 5ይ ክፍለ-ዘመን ዝተሃንጸ ቤተ-ክርስትያን ጨጨሆ መድሃኔም ካብ ሰራዊት ህወሓት ብዝተተኮሰ ከቢድ ብረት ዕንወት ከምዘጋጠሞ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን። ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ብወገኑ፡ ልኡኻቱ፡ ጨና ተክለሃይማኖት ኣብ ዝተባህለት ዓዲ ኣብ ዝዓነወ ቤተ-ክርስትያን ቀልሃታት ተተኳሲ ከምዝረኣዩ ሓቢሮም። እቶም ደቂ እታ ዓዲ ከኣ ኣብቲ ኣብ ነሓሰ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ካብቶም ብዙሓት ዝተቐትሉ ሰባት ሽዱሽተ ካህናት ከምዝርከቡዎም ሓቢሮም። ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ዘለዉ ኵሎም ወገናት፡ ግፍዒ ከም ዘይገብሩ እዮም ብተደጋጋሚ ክግልጹ ጸኒሖም። እታ ኣብታ ሃገር ካብ ዘለዉ ሃይማኖታውያን ጕጅለታት 43% ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ እተቕውም ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ዝዓበየን ጽልዋ ዘለዋ ሃይማኖታዊት ትካል እያ። ይኹን እምበር ሕጂ እቲ ግጭት ንመብዛሕትኦም ኣመንታ ከፋፊልዎም እዩ ። ተጋሩ ፈለስቲ፡ መንግስቲ ፈደራል ካብ ጎረቤት ሃገር ብዝመጹ ወተሃደራት ኤርትራ ተደጊፉ ኣብ ትግራይ ብዘካየዶ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ኣስታት 325 መራሕቲ ሃይማኖት፡ ከምኡ'ውን ካብ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ከምዝቐተሉን ኣብቲ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ፈላሚ ኵናት ኣብ ልዕሊ 12 ኣብያተ-ክርስትያንን መሳጊድን መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ገሊጾም። ኣቢይ ኣሕመድ፡'ካብቲ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝመስረተ ዓለማዊነት ወጺኡ' ኣብ ካናዳ ዝመደበሩ፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ቤተ-ክርስትያን ልዑል ቦታ ዘለዎ ኣካዳሚያዊ መምህር ጌታቸው ኣሰፋ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ መንፈስ ትግራዎት፡ ንምስባርን ኣብ ትሕቲ ኣቢይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳይያስን ንምብርካኾም ምዃኑን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ። ሰራዊት ኤርትራ፡ እቲ ኣብ 6ይ ዘመን ኣብ ኣኽራን ትግራይ ኣብ ኣስታት 80 ጫማ (24ሜ) ኣብ ዝንውሓቱ ኣጻድፍ ኣብ ዝተሃንጸ ገዳም ደብረ ዳሞ ንዝነበረ ጥንታዊ ጽሑፋትን ካልእ ባህላዊ መዛግብቱን ከም ዝዘረፈ ይኽሰስ እዩ። ፕሮፈሰር ጌታቸው እቲ ውግእ ኣብታ ቤተ-ክርስትያን ከቢድ ዕንወት ከም ዘስዓበ፡ ጨንፈር ትግራይ ድማ \"ብዘይወግዓዊ ኣገባብ ናቱ መገዱ\" ሒዙ ይኸይድ ከም ዘሎ ገሊጹ። \"ዋላ እውን ኣብ ዲያስፖራ እንተ ኰነ፡ ሰባት ብሓባር ኽጽልዩ ድላይ የብሎምን። ኣብ ኦንታርዮ [ካናዳ]፡ እትርከብ ቤተክርስትያ፡ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ትግራይ ዝብል ስም ተዋሂብዋ ኣሎ። ኣብ ኣመሪካ ኣብ ፊላደልፍያን፡ ኣብ ኣውስትራልያ እውን ብተመሳሳሊ ከምኡ ኣጋጢሙ እዩ \"ይብል። ፕሮፈሰር ጌታቸው፡ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ጴንጠ ቆስጠ ክርስትያን ካብቲ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝመስረተ ዓዓለማዊነት ወጺኡ እዩ ይብል። \"ነቲ ዘካይዶ ዘሎ ውግእ፡ መንፈሳዊ ቃልሲ ከም ዝዀነ ገይሩ እዩ ዘቕርቦ። ብዛዕባ እቲ ነቲ ውግእ ደው ንምባል ዝግበር ዘሎ ኣህጉራዊ ጸቕጢ ብዝምልከት ክዛረብ እን ከሎ፡ እታ ሃገር [ኢትዮጵያ] ነቲ እየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ምስተሰቕለ ክሰትዮ ዝተገደደ መሪር መስተ ኽትሰቲ ፍቓደኛ ምዃና፡ ኣብ መወዳእታ ድማ 'ክንዕወት ኢና \" ኢሉ። ብተወሳኺ \"ሰባት ክጽልዩ ኣብ ዝተኣከብሉ ሃይማኖታዊ በዓላት ከይተረፈ፡ ተመሳሳሊ ዘረባ ይዛረብ እዩ\" ይብል ፕሮፌሰር ጌታቸው። ኣብ ብዙሓት ሰዓብቲ መንእሰያት ኦርቶዶክስ ዓቢ ጽልዋ ዘለዎ ሓደ ካብ ኣማኸርቲ ሚስተር ኣቢይ፡ ዲያቆን ዳንኤል ክብረት፡ ንህወሓት፡ “ክጠፍኡ” ዘለዎም \"ሰይጣውንቲ\" ክብል ገሊጹዎም። \"ኣብዛ ሃገር እዚኣ፡ ንከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጻህያይ ዝኸውን ምድሪ የሎን” ከምዝበለ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ንዝበሎ ጠቒሱ ገሊጹዎ ኣሎ። ፕሮፈሰር ጌታቸው ፡ እቲ ዲያቆን [ክብረት] ዓርኩ ከም ዝነበረን እቲ ግጭት ምስ ተባርዐ ግን ነዊሕ ኸይጸንሑ ምዝርራብ ከምዝሓደጉ ሓቢሩ። \"ኣብ ዝህቦ ሃይማኖታዊ ስብከት ዓሌታውን ጃምላውን ቅትለት ከምዝሓቖፈ ኣስተብሂለ” ይብል።ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት መንግስቲ ኣመሪካ ነቲ [ዳንኤል ክብረት] ዝበሎ ዘረባ \"ሓደገኛ\"ን ከምኡ እውን \"ጽልኢ\" ዝዘርእን’ዩ ክብል ድሕሪ ምዅናኑ፡ ዲያቆን ዳንኤል ብዛዕባ እቶም \"ግብረ-ሽበራውያን\" ደኣ እምበር ብዛዕባ ህዝቢ ትግራይ ኣይኰንኩን ተዛሪበ ኢሉ። ወሃቢ ቃል ሚስተር ኣቢይ እውን ብሓሳብ ዲያቆን ዳንኤል ከምእተሰማምዐ ብምግላጽ፡ ተደናገጽቲ ትግራይ ነቲ ዘረባ ብጌጋ ከምዝተርጎሙዎ ንኤኤፍፒ ሓቢሩ። ኣቶ ምንይችል፡ ህወሓት፡ ኩሉ ሳዕ \"ጽልኢ\" ከም ዘተባብዑን ዓሌታውን ከፋፋሊ ፖለቲካዊ ከምዝኽተሉን ጠንቂ ናይቲ ግጭት ንሳቶም ምዃኖምን ይዛረብ። \"ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ እውን ልክዕ ከም ዝሓለፉ ሃጸያት ኣምሓራ፡ ሃጸያዊ ራእይ ከም ዘለዎን ከጥፍኦም ከምዝደልን ኪኸሱዎ ይስምዑ እዮም። እዚ፡ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ንምድንጋር ዝጥቀምሉ ውጹዕ ዓሌታዊ ቀቢላዊ ፕሮፓጋንዳ እዩ \"ይብል ምንይችል። ንፕሮፌሰር ጌታቸው እቲ ውግእ ከብቅዕ ዝኽእል ኣብ መንጎ መንግስትን ውድብ ህወሓትን ዝርርብ ምስ ዝግበር ጥራይ እዩ። \"ድሕሪ ጃምላዊ ህልቂትን ጥሜትን ዓጸቦን ክዘራረቡ እዮም\" ይብል። ብምውሳኽ፡ ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣቢይ ቀጻሊ ጸቕጢ ክገብርሉ ይትስፎ። ኣቐዲሞም ኣብ ትግራይ ጃምላዊ ቅትለት ከምዝተፈጸመ ዝገለጹ፡ ተወላዲ ብሄረ ትግራይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን እውን ሰላም ንኽሰፍን ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም። ኣቡነ ማትያስ ኣብቲ ኣብ መስከረም ኣብ ሃይማኖታዊ በዓል ዝሃቡዎ ጸሎተ ቡራኬ \"እቲ ኣብ ኣልባሳትና ሰብነትናን ዝርከብ መስቀል ንእምነትና ዝውክል እምበር ንጽባቐን መልክዕን ንገብሮ ኣይኰነን። ትርጕም መስቀል ከኣ ሰላምን ዕርቅን እዩ፤ ስለዝኾነ ኣብ ሓድሕድናን ምስ ኣምላኽናን ሰላምን ዕርቅን ኽሰፍን ይግባእ \"ኢሎም። ይኹን እምበር ኣባ ገብረማርያም ካብ ክልል ኣምሓራ ንህወሓት ንምስዓር ኣብ ውግእ ተጸሚዶም ይርከቡ። \"ክሳብ ሕጂ ብጸሎት ፈቲንና ኢና። ሕጂ ግን ብጥይት ኢና ክንዕወት። ንጸላእቲ ኢትዮጵያ ብምቕባር ሓድነት ኢትዮጵያ ክንዕቅብ ኢና” ከኣ ይብሉ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58785277"} {"headline":"ማሕበረሰብ ዓለም፡ መንግስትን ህወሓትን ናብ ልዝብ ክመጽኡ 'ጸቕጢ' ክገብር ይኽእል'ዶ?","content":"ሰራዊት ሪፐብሊክ ኣየርላንድ፡ [IRA] ካብ መግዛእቲ ብሪጣንያ ሓራ ንምዃን ዓሊሙ ብ1919 [ኣ.ኣ] ተወዲቡ። ዘመናት ድሕሪ ዝወሰደ ጐንጽን ዕንወት ህይወትን ንብረትን፡ ብ1997 'ጉድ ፍራይደይ' ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ መዓልቲ፡ መንግስቲ ብሪጣንያን ተዋጋእቲ ኣይኣርኤን ናብ መድረኽ ልዝብ መጺኦም። ተዋጋእቲ ኣየርላንድን መንግስቲ ብሪጣንያን ኣብ ወተሃደራዊ ወጥሪ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ እቲ ጐንጺ ህድእ ንኽብል ጸቕጢ ይገብሩ ካብ ዝነበሩ መራሕቲ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ኔልሰን ማንዴላ ይጥቀስ። ስርዓት ኣፓርታይድ ብምቅዋም ንዓመታት ኣብ ማሕዩር ዝነበረ ኔልሰን ማንዴላ፡ ሃገሩ ካብቲ ጨቛኒ ስርዓት ኣፓርታይድ ምስ ተናገፈት፡ ዲሞክራሲያዊ ምስግጋር ንምምጻእ ብዙሕ ተቓሊሳ እያ። ምስግጋር ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመርሐ 'ዘ ናሽናል ፒስ ኣኮርድ' ዝተባህለ ትካል ድማ፡ ኣብታ ሃገር ሰላም ንኽመጽእ ብዙሕ ከም ዝሰርሐ ይፍለጥ። ናብ ማእከላይ ምብራቕ ገጽና ምስ እንርኢ'ውን፡ ዒራቕን ኢራንን ብ1980 ናብ ኲናት ምስ ኣተዋ፡ ድሕሪ ሸሞንተ ዓመታት እየን ናብ መድረኽ ዕርቂ መጺአን። ነቲ ዘተ ሰላም ዝመሐ ትካል ክኣ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነይሩ። ኣብ መንጐ ጐረባብቲ ሃገራት ወይ'ውን ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሃገር ኲናት ሓድሕድ ኣብ ዝለዓለሉ፡ 'ማሕበረሰብ ዓለም' ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓያላት ሃገራት ዝቕልሳኦ ተበግሶ፡ ግጭታት ደውው ንኽብሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ተራ ይጻወት። ይዅን'ምበር፡ እዘን ሓያላት ሃገራት ዝገብራኦ ጻዕሪ ወትሩ ውጽኢታዊ እዩ ክብሃል ኣይከኣልን። ካብኡ ሓሊፉ፡ ከም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኣመሰሉ ዓለምለኻዊ ትካላትን ዞባዊ ውዳበታትን፡ ሰላም ናይ ምስፋን ሓላፍነት ኣለዎም። ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝልዓሉ ግጭታት ምፍታሕ መባእታዊ ተልእዀኡ ከም ዝዀነ ይገልጽ። እንተዀነ፡ እቲ ትካል እቲ ዳርጋ ክልተ ዓመት ሒዙ ዘሎ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ደው ከብሎ ኣይክኣለን። ኣሜሪካ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ይዅን ሕቡራት ሃገራት'ውን እዚ ኰናት ደው ንምባል ክንጽዕር ኢና'ኳ እንተበሉ፡ ደው ኢሉ ዝነበረ ዝመስል ጐንጺ ዳግም ተላዒሉ ኣሎ። ሓያላት ሃገራት ረብሓአን ካብ ምሕላው ሓሊፉ ሰላም ናይ ምምጻእ ድልየት የብለንን ዝብሉ ተንተንቲ ኣለው። ብኻልእ ወገን፡ እቶም ተራጸምቲ ሓይልታት ፍቓደኛታት እንተዘይኰይኖም'ውን ተራን ኣበርክቶን ኣደራደርቲ፡ ብሓፈሻኡ ማሕበረሰብ ዓለም ይድረት’ዩ ኢሎም ዝካትዑ ኣለው። መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣአንፊቶምዎ ዝነበሩ ልዝብ ሰላም ኣብ ጫፉ በጺሑ፡ 'መን የዛትየና?' ኣብ ዝብል ክትዕ እናሃለው እዩ ዳግም ኲናት ተወሊዑ ዘሎ። መንግስቲ፡ 'ህወሓት ድርድር ስለ ዘይደሊ’ ጠመንጃ መሪጹ፡ ክብል ይነቅፍ። መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም፡ ማእከላይ መንግስቲ ‘ጻሕታሪ ነገር’ ኰይኑ’ዩ ክብሉ ይስምዑ። እዚ ኲናት ዳግም ምውልዑ ዘተሓሳሰቦም መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ድማ፡ ክልቲኦም ወገናት ረጽሚ ደው ኣቢሎም ናብ ሰላማዊ ዘተ ክመጽኡ ይሓቱ ኣለው። ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ እቲ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ዝተጀመረ ዝርርብ ሰላም ክቕጽል ሓቲቱ ኣሎ። ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ሃገሩ እቲ ሕጂ ዳግም ዝተወልዐ ኲናት ኢትዮጵያ ስግኣት ከም ዘሕደረላ ብምግላጽ፡ ክልቲኦም ወገናት ካብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክቝጠቡን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ቦታኦም ክምለሱን ሓቲቱ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሓጋዚ ፕሮፌሰር መጽናዕቲ ሰላም ዮናስ ኣዳየ፡ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ዓለም ዝለዓል ሕቶ ሻራውነት ኣሎ ይብል። “መሰረታዊ ፍልስፍና ሰላም እወታዊ ኣተሓሳስባ እዩ፤ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ’ውን ምርኣይ ኣገዳሲ’ዩ” ዝብል እቲ ምሁር፡ ማሕበረሰብ ዓለም ሻራውነቱ ይሕሉ’ዶ? ትርጕም ሰላም ይርድኦ’ዶ? ኢሉ ይሓትት። ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ምኽንያት ስደት ኣሽሓት ዜጋታት ብምዃን ኣብቲ ዞባ ዘይምርግጋእ ክልሕም ዝገብር ጽልዋ ዘሕድር ስለ ዝዀነ ጐረባብቲ ሃገራትን ኣብቲ ዞባ ረብሓ ዘለወን ሃገራትን እቲ ጉዳይ ብሰላም ንኽፍታሕ ቀጥታዊ ድልየት ኣለወን’ዩ ክብል ምሁር ዓለምለኻዊ ርክባት ዩኒቨርሲቲ ኣሜሪካ ፕሮፌሰር ማቻሪያ ሙነኔ ይዛረብ። ስለ ዝዀነ፡ ኣደራደርቲ ክልቲኦም ወገናት ናብ ጠረጴዛ ምምጻእ ዘኽእል መተኣማመኒ ኣለዎ’ዶ? ዝብል ሕቶ ክቕድም ከም ዘለዎ ገሊጹ። “ብሸነኽ ትግራይ፡ እቲ ኲናት ደው ምስ በለ እንታይ ክፍጠር ይኸውን ዝብል ስግኣት ኣሎ። ብሸነኽ መንግስቲ ፌደራል ድማ ህወሓት ዳግም ክውደብ ምኽኣሉ ዝፈጠረሉ ስግኣት ከም ዘሎ ይርኣየኒ” ይብል። እቲ ኬንያዊ ምሁር፡ እቲ ቅልውላው እናነውሐ እንተኸይዱ ክፈጥሮ ዝኽእል ዞባዊ ስግኣት ከቢድ ስለ ዝዀነ፡ መንግስቲ ሃገሩ ሓዊሱ ካልኦት’ውን እቲ ጐንጺ ደው ክብል ከም ዝደልዩ ይገልጽ። ሓጋዚ ፕሮፌሰር ዮናስ’ውን ብሓሳብ ሙነኔ ይሰማማዕ። “ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም እንተጠፊኡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘሎ ሰላም’ውን ክጠፍእ'ዩ። ንኬንያን ሱዳንን ከምኡ’ውን ካልኦት ሃገራት እቲ ከባቢ ዘሕድሮ ጽልዋ ቀሊል ኣይኰነን። ካልእ ተሪፉ ኣሜሪካን ኣውሮጳን ኣብዚ ከባቢ ዘለዎም ድልየት ይትንከፍ ኣሎ ማለት’ዩ።” ዮናስ ከም ዝብሎ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ትርጕም ሰላም ተገንዚቡ ድዩ ወይስ ረብሓኡ ኣቐዲሙ'ዩ ዝመጽእ ዘሎ ዝብል ኣገዳሲ ጕዳይ እዩ። ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣሜሪካን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ዝተፈላለዩ ጻዕርታት ክገብሩ ጸኒሖም'ዮም። እቶም ተራጸምቲ ሓይልታት፡ ናብ ሰላም ከምጽኦም ዝኽእል ኣማራጺታት ንምርኣይ ኣብ ዙርያ ዘለውዎም ስግኣታት ንምዝርራብ ቅድሚ ወግዓዊ ዝርርብ ምጅማሮም ብምስጢር ክራኸቡ ከም ዝኽእሉ ተንተንቲ ይዛረቡ። ገለ መራሕቲ መንግስቲ ትግራይን ማእከላይ መንግስትን ወተሃደራውያን ኣዘዝትን’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋን ብምስጢር ከም ዝተራኸቡ ይዝረብ። እዚ ጐንጺ፡ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክፍታሕ ኣለዎ ኢሉ ዝኣምን ዮናስ፡ \"እቲ ጸገም፡ ናይ ኣፍሪቃ ጥራይ ኣይኰነን፤ ግን ብቐንዱ ንመራሕቲ ኣፍሪቃ ዘደራድሩ ኣፍሪቃውያን ክህልው ኣለዎም፡\" ኢሉ። ፕሮፌሰር ሙነኔ ድማ፡ እቲ ኣደራዳሪ ኣካል ብሸነኽ ማእከላይ መንግስትን ህወሓትን ተቐባልነት ዘለዎ ሰብ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ ይካታዕ። \"እቲ ንኽልቲኦም ወገናት ንኸደራድር ዝልኣኽ ሰብ ክልቲኦም እንተዘይተቐቢሎምዎ ትርጕም የብሉን፡\" ዝብል እቲ ምሁር \"መወዳእታ እዚ ኲናት ዕንወት እምበር ሰዓሪ የለን ኢሉ ከእምን ዝኽእል ብቕዓት ዘለዎ ሰብ ክሳብ ዝርከብ ግን፡ እቲ ኲናት ክቕጽል'ዩ\" ዝብል ትንታነ ኣለዎ። ናይዚ ምኽንያት ከብርህ እንከሎ፡ \"ሕብረት ኣፍሪቃ ይዅን ሕቡራት ሃገራት ዘለዎም ዋሕስ መተኣማመኒ፡ ክንድ'ቲ ትጽቢት ዝተገብሮ ኣይኰነን\" ኢሉ። ብ1995 ዓ.ም [ኣ.ኣ]፡ ኲናት ቦዝንያ ንኸብቅዕ ኣብ ዝተገብረ ድርድር፡ ኵሎም ወገናት ዝኣመኑሎም ኣማኸርቲ ዝተሳተፍሉ ከም ዝነበረ ይዝረብ። እቲ ድርድር ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ ክመርሕዎ እንከለው፡ ኣብ መወዳእታ ግን ፕረዚደንታት ቦዝንያ፡ ክሮኤሽያ ሰርቢያን ጥራይ ‘ስምምዕ ዳይቶን’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስምምዕ ሰላም ብምፍራም እቲ ኲናት ንኸብቅዕ ገይሮም። ተመራማሪ መጽናዕቲ ሰላም ዮናስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሕጂ’ውን እንተዀነ እቲ ልዝብ ብኣፍሪቃ ሕብረት ዝምራሕ እንተዀይኑ ተስፋ ኣለዎ እዩ ይብል። “ክንምህር እንከለና ‘there’s no way to peace; peace is the way [ናብ ሰላም ዝወስድ መገዲ የለን፤ ሰላም ንርእሱ መገዲ’ዩ’] ኢና ንብል። እቶም ኣደራደርቲ ግን ነዚ ብዝግባእ ተረዲኦም’ዶ እቲ ግጭት ክዝሓሓል ይደልዩ? ወይስ ረብሓኦም ክሕልው’ዮም ዝደልዩ?” ብምባል ይሓትት። ኣብዚ ጉዳይ ምሁራትን ተንተንቲ እቲ ዓውድን ዘለዎም ርእይቶ ዝተፈላለየ ስለ ዝዀነ ኣዝዩ ኣካታዒ'ዩ። ማሕረሰብ ዓለም፡ ፈጺሙ ጸቕጢ ክገብር ኣይክእልን ዝብሉ ኣለው። ከም በዓል ሓጋዚ ፕሮፌሰር ዮናስ ዝበሉ ምሁራት ድማ ጸቕጢ ክገብርሉ ዝኽእል ተኽእሎ ክህሉ ኣሎ'ዩ ይብሉ። \"ግልጽነትን ተኣማንነትን ከምኡ'ውን ሻራውነት እንተሃልዩ ይከኣል'ዩ። ህጻናት ኣይተወድኡ፣ እቲ ኲናት ንዅላትና እዩ ዝጐድእ ኢልካ ብምዝራብ፣ ክዘራረቡን ክቀረራቡን ምግባር ይከኣል'ዩ\" ኢሉ። ይዅን'ምበር፡ እቲ ሸምጋሊ ኰይኑ ዝኸይድ ኣካል ንሓደ ወገን ዘሻሩ እንተዀይኑ፡ ኣጸጋሚ ከም ዝኸውን ይዛረብ። ካልኦት ጸቕጥታት ብምግባር’ውን፡ ክልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት ናብ ድርድር ክመጽኡ ምግባር ከም ዝክኣል ወሃብቲ ርእይቶ ይጠቕሱ። ኣሜሪካ፡ ማእከላይ መንግስቲ ‘በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ’ ቅድሚ ምእዋጁ ብዝተፈላለዩ መገድታት ጸቕጢ ትገብር ከም ዝነበረት እቶም ምሁራት ይዛረቡ። ንኣብነት፡ ኣሜሪካ ኢትዮጵያ ኣባል ካብ ዝዀነትሉ ስምምዕ ንግዲ ኣጐዋ ክትስረዝ ገይራ እያ። ኣብቲ እዋን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰንኪ'ዚ ውሳነ ልዕሊ 200 ሽሕ ትሑት እቶት ዘለዎም ስድራቤታት ከም ዝተጐድኡ ብምግላጽ፡ ብፍላይ ሳዕቤኑ ኣብ ልዕሊ እተን ምስቲ ጐንጺ ዝዀነ ዓይነት ርክብ ዘይብለን ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝሕይል ብምግላጽ ነቲ ውሳነ ተቓዊምዎ ነይሩ። ብኻልእ ወገን፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሰብ መዚ ኤርትራ፡ ኣባላት ሰራዊትን ጸጥታን፡ ከምኡ’ውን ሓይልታት ኣምሓራን ኣባላት ህወሓትን እገዳ ቪዛ ከም ዝገበረ ይዝከር። ኣብቲ ግዜ፡ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ውሳነ እቲ ግጭት ደው ንኽብልን ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ንኽወጽኡ፡ ምብጻሕ ሰብኣዊ ረድኤት ንኽመሓየሽን ተሳተፍቲ እቲ ጐንጺ ዝዀኑ ሓይልታት ናብ ድርድር ንኽመጽኡ ዝተገብረ ጻዕሪ ክዕወት ብዘይምኽኣሉን’ዩ ኢሉ ነይሩ። ሓጋዚ ፕሮፌሰር ዮናስ፡ \"ሻራዊ ብዝዀነ መገዲ፡ እገዳ ኣጽዋር ይዅን ካልኦት መገዲታት ተጠቒሞም ጸቕጢ ክገብሩ ይኽእሉ'ዮም። ግን ክኣ እቲ ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ ትንኰያ ዝገብር ዘሎ ኣካል ክኸውን ኣለዎ\" ዝብል እምነት ኣለዎ። ፕሮፌሰር ሙነኔ ብወገኑ፡ እቲ ማሕበረሰብ ዓለም ዝገብሮ ጸቕጢ ክንደየናይ እዩ ዝብል ኣብ ቦታኡ እንከሎ፡ \"እገዳ ምግባር ግን ጭቡጥ ለውጢ ከም ዘየምጽእ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ'ዩ፡\" ይብል። ንኣብነት ኤርትራ፡ \"ዝተፈላለየ እገዳታት ክገበረላ ጸኒሑ፤ ግን ዝተለወጠ ነገር የለን\" ዝብል እቲ ኬንያዊ ምሁር ዓለምለኻዊ ርክባት፣ \"ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ከም ሃገር እገዳ ምግባር ለውጢ ኣየምጽእን፤ ምኽንያቱ እቲ ጸገም ኣብ መንግስቲ እዩ ዘሎ። መንግስትን ህዝብን ክኣ ጸቕጢ እገዳ ማዕረ ኣይስምዖምን\" ክብል ይካታዕ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cek8g3g0epko"} {"headline":"ዕጥቂ ተጋዳሊት ዝማረኾ ልቢ 'ምሩኽ'","content":"ኤርትራዊት ተጋዳሊት ዝተመርዓወን ኢትዮጲያዊ ወተሃደር፡ ኣብታ ኣብዚ ቅንያት ሰፊሕ ተነባብነት ኣመዝጊባ ማእከል ዕላል ኰይና፡ ኣቓልቦ ስሒባ ዘላ፡ \"አንቱ በእናት\" ዝብል ኣርእስቲ ዝተዋህባ፡ መጽሓፍ ብጥበብ ተጸውዩ'ሎ። ቀዳማይ ክፋል እዚ ዛንታ ነዚ ፈለግ ተኸቲልኩም ክትረኽቡዎ ትኽእሉ ማሞ ኣፈታ ኣዶን ተጋዳሊት ሂወት ተስፋይ ሃብቱን፡ ኣብቲ መጽሓፍ ድማ - ብ'ጆቴ'ን 'ገላየ' ን ዝተወከሉ ሰባት፡ ፈለማ ሌላኦም ኣብ ከባቢ 1982-83 ኣቢሉ እዩ ዝጅምር። እቶም ኣሽሓት ምሩኻት ወተሃደራት ኢትዮጲያ ምርጫኦም ክውስኑ ናጻ ምስ ኮኑ፡ ጆቴ ኣብ ጐድኒ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ኰይኑ ክጋደል ወሰነ'ሞ፡ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክወስድ ግድን ነበሮ። ወተሃደር ይንበር እምበር፡ በቲ ናይቲ ውድብ መስርሕ ምስራሕ ክሓልፍ ግድን ነበረ። ተጋዳሊት ሂወት ድማ ኣብቲ ዝተዓለመሉ ከባቢ ሂምቦል፡ ኣባል እንዳ ቝጠባ [ቁጠባ ውድብ] እያ ነይራ። እታ 'ገላየ' እናበለ ጆቴ ዘቀባጥረላ ተጋዳሊት፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ መፋርቕ 1978 ኣብ እዋን ምዝላቕ፡ ካብ መላእ ኤርትራ ተሰሊፈን ንቝጽሪ ደቂኣንስትዮ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ብተዓጻጻፊ ዘዕበያ፡ 'ካምቦድያ' ዝብል ቅጽል ስም ዝተዋህበን እያ ነይራ። \"ኣብ ግዜ ምዝላቕ፡ ካብ ጋዴን ከባቢ ደቀምሓረ እየ ተሰሊፈ፡\" ድማ ትብል። ምስ ኣፍቃሪኣ 'ጆቴ' - ናይ ሎሚ በዓልቤታ ማሞ - ቅድሚ ምልላያ ዝሓለፈቶ ገድላዊ ተመኵሮ ከተዘንቱ እንከላ፡ \"ኣብ እንዳቝጠባ እንከለኹ፡ 'ፖሊስ ከባቢ' ዝብል መጺኡ፡ ስልጠና ወሲደ፡ ፖሊስ ኰይነ ኣብ ሂምቦል እየ ድማ ነይረ።\" ትብል። ሂወት ጓል ማኦ፡ ባህላዊ ምርኢታት ምሒር ትፈቱ፣ ኣብ መድረኽ ደይብካ፡ 'ዓሽ' ምባል ተዘውትር፡ ዳርጋ ክሓልፋ ዘይትደልን ወናም እያ ነይራ። እዚ ባህሪኣ'ዚ እዩ ድማ ምስ ማሞ ዓይኒ ንዓይኒ ክትጋጠምን፡ ናብቲ ምሉእ ጕዕዞ ሂወታ ዝቐየረ ፍቕሪ ክትጽመድ ዝገበራ። እቶም ኣብ ጥቓና ዝነበሩ ምሩኻት፡ ዝተፈላለየ ማእቶታዊ ስራሕ ይገብሩ፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ ጐስጓሳትን ዝተፈላለየ ባህላዊ ንጥፈታት የካይዱ ነይሮም፡ ትዝክር ጓል ማኦ። \"ሓደ ግዜ፡ እታ 'ዳግማዊ ልደት ባህል ክፍል' [ዳ.ል.ባ.ክ] እትብል ብምሩኻት ዝተመስረተት፡ ጆቴ ዝመርሓ ዝነበረን ጕጅለ ባህሊ፡ ምርኢት ኣዳለወት። ጆቴ ድማ መራሕ-መደብ 'ኣናውንሰር' ነይሩ፣ እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ኣሃዱታት ተዓዲሞም መጽኡ። \"ሽዑ ጆቴ፡ መደባት እናመርሐ፡ ኣብ መንጐ-መንጐ ግጥምታት ከንብብን መግለጺታት ክገብርን እንከሎ፡ ኣብ ቅድመኡ ኮፍ ኢላ ብተመስጦ ትሰምዖን ትከታተሎን ተጋዳሊት ከም ዘላ ኣስተብሃለ። ጸኒሑ፡ ሓንቲ ናይ ኣምሓርኛ ደርፊ ደረፈ'ሞ፡ ሽዑ 'ገላየ' መጺኣ 'ዓሽ' በለቶ፣ ዓይኒ ንዓይኒ ድማ ተጋጠሙ።\" ነታ ህሞት ክትዝክር እንከላ ጓል ማኦ፡ \"ኵሉ ነገሩ፡ ቁመናኡ ኣዘራርባኡን ኣደራርፍኡን ስሒቡኒ በቃ. . . ርእይ መሰበልክዎ ኣትሒዘ እየ ፈትየዮ፣ ኣለካ ማሽ ናይ ዓይኒ ፍቕሪ'ዩ ንቕድም ተሰሚዑኒ።\" ማሞ፡ ብወገኑ፡ \"ሽዑ ቀንዲ ዝዓጀበኒን ዝፈተኽዎን፡ ዕጥቃን ኣተዓጣጥቓኣን እዩ ነይሩ፣ ፍሉይ. . . ንዓኣ ድማ ዘጸብቐላ እዩ ነይሩ፡\" ብምባል ክሳብ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ከም ዝረኣዮ ኣይሓብአን። ካብኡ ንንየው፡ \"ጆቴ እናሰረቐ ክርእያ ጀሚሩ።\" ንሳ'ውን ብዓይኒ ተማሪኻ ስለዝነበረት፡ ሓደ መዓልቲ ካብ ኣሃዱኦም ፋስ - መፈለጽ ዕንጸይቲ - ክትልምን መጺኣ። ጆቴ ድማ ተረኛ መጋባይ ነበረ፣ \"ኣጋጣሚ መጋባይ ስለዝነበርኩ ብደይ ዘረባ ብድድ ኢለ ሂበያ፡\" ይብል። ፍቕሮም እናሓየለ ኸደ፣ መመኽነይታ እናደለኻ ክትርአአ ምድላይ ከኣ ስርሖም ኰነ። \"ብዛዕባኡ ክሓስብ እንከለኹ፡ 'ኣበይ ከ ክረኽቦ እየ፣ ንሱ ኢትዮጲያዊ ዓዱ ክኸይድ'ዩ፣ ከመይ ኢሉ ክኸውን እዩ ርክብና?' ኢለ ባዕለይ እጭነቕን ተስፋ እቘርጽን ነይረ፡\" እናበለት ነቲ ስምዒት እዋን ፈለማ ፍቕሪ ተዘንቱ። ብድሕረኡ፡ እቶም ኣብ ጐድኒ ህዝባዊ ግንባር ክስለፉ ዝወሰኑ፡ ኣብ ሂምቦል ታዕሊሞም ዝወድኡ ምሩኻት ነበር፡ ናብ ዝተፈላለየ ኣሃዱታት ምስ ተወዝዑ፡ ማሞ ኣብ ሕሽክብ ማእከላይ ሓለዋ ሰውራ ተመዲበ፡ ይብል። ድሕሪ ገለ እዋን ድማ ጓል ማኦ ናብ ሓለዋ ሰውራ ተመዲባ ናብ ሕሽክብ መጺኣ፣ ኣብኡ መጺኣ ኣብኡ ድማ ተራኸቡ። እንተዀነ፡ እቲ በብቝሩብ እናተጋህደ ዝኸደ ፍቕሮም ቀሊል ኣይነበረን። \"ብዙሓት፡ 'ነዚ ኣምሓራይ እንታይ ኢልክዮ ኢኺ?' እናበሉ የሸግሩኒ ነይሮም፣ ብፍላይ ኣብ ፈለማ ብዙሕ ሰብ ኣይቅበለካን እዩ፡\" ብምባል ነቲ ዝሓለፈቶ መሰናኽላትን ዝወርዳ ዝነበረ ሕሜታታትን ትዝክር። \"ኣነ ግን፡ ዝዀነ ይዅን እንታይ ኣእተወኩም፣ ውድበይ እንተፍቂዳትለይ ንዓኻትኩም እንታይ ይምልከተኩም? ልዕሊ ዅሉ ሰብ ከማይ እዩ፣ ሰብ እየ ኣፍቂረ። ደሓር ከኣ ዝዀነ ይዅን ካብ ዝመጸ ይምጻእ፡ ኣብዚ ሕጂ ተጋዳላይ ከማይ ብጻየይ ምዃኑ እየ ዝፈልጥ. . . የፍቅሮ እየ ድማ፡ ይብሎም ነይረ።\" ብምባል ፍቕሪ ዘይስዕሮ ነገር ከምዘየለ ትገልጽ። \"ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ኣንደር - ትሕቲ መሬት - ክልተና ንበይንና እናዕለልና፡ ሓላፊኣ ኣብ ቦታኣ መጺኡ ስኢንዋ ናብቲ ዝነበርናዮ መጺኡ። ሽዓ መዓልቲ ፍቕርና ተገላሊጽና ግን ዋላ ሓንቲ ዝተገብረ ኣይነበረን፡\" ይብል'ሞ ማሞ፡ ይከታተልዎም ስለዝነበሩ ግን፡ ከም መቕጻዕቲ ጕድለት ዲሲፕሊን ተሓሲቡ፡ ንዕኡ ናብ ካልእ ዝረሓቐ ቦታ ቀየርዎ። ደሓር ግን፡ ድሕሪ'ቲ ናይ መጋቢት 1984 'ውቃው እዝ' ዝተሳዕረሉ ውግእ፣ ንሱ ነቶም ዝመጽኡ ሓደስቲ ምሩኻት ክምህር፡ ንሳ ድማ ኣባል ሓለዋ ኰይና፡ ኣብ ሓደ ኣሃዱ ከም ዘተራኸቡ፡ ክልቲኦም የዘንትው። \"ኵሉ ሰብ ሓደ ኣይኰነን ዝድግፈካ'ውን ኣሎ፡\" ኢላ ድማ ኣብዚ ሓጐጽጐጽ'ዚ፡ ሳባ ዮሃንስ 'ቡፍ'፡ ትበሃል ተጋዳሊት ብጸይታ፡ 'ኦጆኺ፡ ንድሕሪት ከይትብሊ፡' እናበለት ኣብ ጐድና ደው ካብ ዝበሉ ተጋደልቲ ሓንቲ ምንባራ ትዝክር። በቃ ወሲነ፡ እቲ ፈለማ ዝስምዓኒ ዝነበረ፡ 'ኣበይ ክንራኸብ ኢና?' ዝብል ፍርሒ እናጠፍአ፣ ብሓደ ክንነብር ከም እንኽእል ከኣ እናኣመንኩን ልበይ እናረግአን መጺኡ፣ ብድሕሪኡ ጸኒሕና ዝምድናና ኣብ፡ 1986 ብወግዒ ኣማእኪልናዮ፡ ትብል። 'ምምእካል ዝምድና' ብባህልን ስነምግባርን ገድሊ ከም ሕጸ ስለዝሕሰብ፡ ዋላ'ኳ 'ቲ ናይ ውልቀሰባት ትሒም-ትሒም እንተዘይተረፈ፡ ብድሕሪኡ ከም ሕጹያት፡ ናጻ ኰይኖም ክበጻጽሑን ከዕልሉን፡ ብሕጊ ዘሕትቶም ኣይነበረን። ማሞ ከም ዝዝክሮ፡ ኣብ ሳሕል ጓል ማኦ 'ገላየ ገላየዋ፡' እናበለት ትደርፍ ምንባራ ዝሰምዑ፡ ንጓል ማኦ፡ 'ገላየዋ' ኢሎም ሳጓ ኣውጺኦምላ ነይሮም። ስም ናይታ ኣብቲ መጽሓፍ ንኣኣ ዝወከለት ጠባይ 'ገላየ' ዝተባህለሉ መንቀሊ ድማ፡ ንሱ ምዃኑ ይገልጽ። ማሞ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ህይወት ምሩኽ፡ ኣብ 1982 ናጻ ተባሂሉ፣ ክጋደል ወሲኑን ማዕረ ካልኦት ተጋደልቲ ኤርትራውያን መሰል ረኸበ። ምስ ሓንቲ ተጋዳሊት ዝጀመሮ ፍቕሪ ድማ መዛረቢ ኰነ። ኣብ 1988፡ ኣብቲ 36 ጽምዲ [72 ተጋደልቲ] መርዓውቲ፡ ኣብ ናቕፋ ብሓደ ቃልኪዳን ዝኣሰሩሉ ኣጋጣሚ፡ \"ሓደ ኢትዮጲያዊ ምሩኽ ወተሃደር ነበር፡ ማሞ ኣፈታ ምስ ሓንቲ ኤርትራዊት ተጋዳሊት - ሂወት ተስፋይ ሃብቱ - ጓል ማኦ\" ተዛሚዱ [ቃልኪዳን ኣሲሩ] ተባሂሉ ኣብ እዋኑ፡ ኣብ ሰውራ ዓቢይ ኣርእስቲ ኰነ። ክልቲኦም ድማ ብውልቃዊ ሂወቶም ዓቢይ ሰውራ ከም ዘርኣዩ እዮም ዝኣምኑ። ማሞ፡ እቲ ኣብ ጽባሕ ምድምሳስ ናደውን ምፍራስ ግንባር ናቕፋን፡ [መጋቢት 1988] ኣብ ናቕፋ ቃልኪዳን ዝኣሰሩሉ ኣጋጣሚ፡ ድሙቕ ምንባሩን፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ንኽብሩ ተባሂሉ ብኣምሓርኛ 'እስክስታ' ከምዝተደርፈን ይዝክር። \"ይዝከረኒ ሽዑ ሓላፊ ሓለዋ ሰውራ ዝነበረ ሙሳ ናይብ እዩ መግለጺ ሂቡ፡\" ኣብ መንጐና ንፈለማ ግዜ ሓደ ኢትዮጲያዊ ቃልኪዳን ክኣስር ዕድል ከም ዝረኸበ ተዛሪቡ፡ ኢላ'ውን ጓል ማኦ ንዕለት መርዓኦም ትዝክር። ናቕፋ ኣብ 1976 ሓንሳእ ሓራ ምስ ወጽአት ደጊማ ብሰራዊት ኢትዮጲያ ዘይተታሕዘት፡ ክሳብ ምፋርስ ናደው ከቢድ ምርብራብ ዝተገብረላ ታሪኻዊት ከተማ እያ። መርዓኦም ካልእ ፍሉይ ዝገብሮ ኸኣ፡ ኣብ ሕጽኖቶም ኣብታ ማሞ፡ ቅድመኡ ቅድሚ 12 ዓመታት ዝተማረኸላ፡ ካብ ናቕፋ ኣስታት 65 ኪሎሜትር እትርሕቕ ኣፍዓበት ክዛወሩ ፍቓድ ምርካቦም እዩ። ማሞ፡ ነቲ ስምዒት ብመገዲ'ቲ ኣብ መጽሓፉ ዝፈጠሮ ገጸባህሪ እዩ ዝገልጾ፣ \"ጆቴ ብህይወት ተሪፉ ዳግማይ ኣፍዓበት ክርእያ እንከሎ፡ ኣዕጽምቲ'ቶም ምስኡ ነይሮም ዝወደቝ ኢትዮጲያውያን ዝረግጽ ዝነበረ ኰይኑ ስለዝተሰምዖ ምኽኣል ስኢኑ ብኣፉ ወደቐ፣ 'ገላየ' እውን ምስኡ ወደቐት።\" እቲ ኣብ ፈለማ ዝነበረ ስምዒታት ከኣ፡ ድሕሪ ኪዳኖም 'ኣድማስ' ዝሰመይዎ በዅሪ ወዶም ምስ ተወለደ ዝያዳ እናጠፍአ ኸደ። ሸውዓተ ኣዋርሕ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ድማ፡ ኣታ 'ረቲና' ዝሰመይዋ ካልኣይቲ ውላዶም ሰዓበት። \"ድሕሪ ናጽነት፡ ናብ ኣደይ፡ ናብ ጋዴን ክንከይድ እንከለና ራብዓይ ርእሰይ እየ ነይረ፣ ተመርዕየ ክልተ ወሊደ ተመሊሰያ - ነደይ።\" ኣብ ገዛና፡ ኣደይ ሓፍተይ ደቂ ሓፍተይ እዮም ጸኒሖምኒ፣ ደቀይ ሓቝፈ ብምምጽአይ ነቲ ስምዒታት ውሒጥዎ እዩ - ብመጠኑ። ኣቦይ ግን ኣብ ደቀምሓረ እዩ ነይሩ፣ 'ኣምሓራይ ከኣ ሒዝክለይ መጺእኪ' [ብተለምዶ ኣብ ኤርትራ፡ ኵሉ ኢትዮጲያዊ ኣምሓራይ እዩ] ኢሉ ሓንሳእ ጸርጸር ኢሉ ነይሩ፡ ብምባል እናሰሓቐት ትዝክሮ። ኣብ ግዜ ናጽነት'ውን ኣሽሓት ምሩኻት፡ 'ካልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት ኢትዮጲያ' ስለዝነበሩ፡ ማሞ ኣብ ስራሕ ጕዳይ ምሩኻት ጽሙድ ነበረ። ብባጽዕ ኣቢሉ ድማ ናብ ኣስመራ ከም ዝኣተወ ይዝክር። ብዛዕባ ሓዳሮም ክዛረብ እንከሎ ማሞ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኪዳኖም ጸኒዖም ከምዘለውን ኣርባዕተ ውሉዳት ከም ዘለውዎምን ይገልጽ። ድሕሪ ናጽነት፡ ፈለማ ኣብ ኣስመራ ገዛ ተዋሂቡና፡ ኣብኡ ሓዳር መስሪትና ናብራና ጀሚርና፡ ይብል ማሞ። ኣብ ኣስመራ ድማ፡ ነቲ ኣብ እዋን ንእስነቱ ዝተፈልዮ ትምህርቲ ክቕጽል ዕድል ረኺቡ፣ ኣብቲ ፍሉጥ ቤት ትምህርቲ ቀዳማዊ ሃይለስላሰ [ቀሃስ] - ኣስመራ፡ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ዛዚሙ፣ ንዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ነጥቢ ኣምጺኡ ነይሩ። ፊልሞን ዝሰመይዎ ቈልዓ ሰሊሶም ድማ ናብራኦም ኣብ ኣስመራ መሊሱ ሞቐ። ብድሕሪኡ ግን፡ ኣደኡ ንኽኣሊ ተፈቒድዎ፡ ተጣይሱ ካብ 1995 ኣቢሉ ናብራኦም ናብ ኢትዮጲያ ገዓዘ። እታ ሕጂ ሆስተስ ዘላ ራብዓይቲ ጓሎም፡ \"ሄናን\" ድማ ኣብኡ ተወልደት። ኣብዚ እዋን ናብራኦም ኣብ ኣዲስ ኣባባ ዘሎ ማሞን ሂወት ጓል ማኦን፡ እቲ ኣብ ሳሕል ዝተወልደ ኣድማስ በዅሪ ወዶም፡ ተመርዕዩ ከም ዝወለደን ሓጐታት ክዀኑ ከም ዝበቕዑን ብሓጐስ ይገልጹ። ኣብ ሳሕል ከለና፡ ሕርስን ውላድን ምስ መጽአ፡ ኣብ እንዳ ሓራሳት እየ ነይረ፣ ድሕሪ ናጽነት ድማ ኣይጸናሕኩን ተጣይሰ። ካብኡ ኣብ 1995 ኣቢሉ ኣብ ኢትዮጲያ እናነበርና፡ ኣብ '98 ጉዳይ ባድመ ተላዒሉ፡ ትብል ጓል ማኦ። ሽዑ ተጋደልቲ 'ሻዕቢያ' ኰይኖም ኣብኡ ዝነበሩ፡ ናብ ምምሕዳራቶም ከመልክቱ ከም ዘለዎም መምርሒ ወጽአ'ሞ፡ ጓል ማኦ ከኣ ኣመልከተት። በቲ ዝሃበቶ ሓበሬታ መሰረት ድማ፡ ፖሊስ ኣብ ገዝኣ መጺኦም፡ ፈለማ ኣብ ሓደ መደበር ፖሊስ ኣሰርዋ። ካብኡ፡ 'ሸጐሌ' ናብ ዝበሃል ቤት ማእሰርቲ ተወስደት። ሞሞ ኸኣ ቈልዑ ሒዙ ኣመና ተሸገረ። እንታይ ከም ዝወርድ ከኣ ንኽልቲኦም ኣሻቓሊ ነይሩ። ማሞ ብዝፈልጦም ኣዕሩኽቱ ገይሩ ኵነታታ ክሓትት፡ ላዕልን ታሕትን ክብል ኣየዕረፈን። ድሕሪ ገለ መዓልታት ማእሰርትን ምክልባትን ግን፡ \"ኣደ ቈልዑ እያ፣ ሰብኣያ ድማ ኢትዮጲያዊ እዩ፡\" ተባሂሉ ክትፍታሕ ተገብረ። ጓል ማኦ፡ ናብ ደቃን ሰብኣያን'ኳ እንተተመልሰት ናብራ ግን ቀሊል ኣይነበረን። ብፍላይ ንሳ፡ ዓመታት ብሽቝረራን መንነታ ሓቢኣን ክትነብር ተገደደት። \"ትግራወይቲ እየ\" ኢለ ኣየ ዝነብር ነይረ፡ ኸኣ ትብል። ' ተጋደልቲ ሻዕቢያ' ኴንካ፡ ኣብ ከምኡ ዝበለ ዝተወጠረ ሃዋሁ ብዅሉ መዳያቱ ክትነብርን ደቅኻ ከተዕብን ከቢድ ሽግራት ከም ዘሕለፉ፣ ሕጂ ግን ብተዛማዲ ደቈም ኣእኪሎም ፍቕሪ ዝመልኦ ናብራ ይነብሩ ከም ዘለው፡ ፍናን እናተሰምዖም ይገልጹ። ማሞ፡ እተን ክረድአን ኢሉ ሓንሳእ ምስተፈልየን ድሕሪ 18 ዓመታት ዝረኸበን ዘቅፍረን ኣደኡ ኸኣ፡ ኣብዚ እዋን ምስኦም ይነብራ ከም ዘለዋ፡ ወሲኹ የዘንትዩ። ደራሲ ማሞ ኣፈታ፡ ካልኣይ ክፋል መጽሓፍ \"ኣንቱ በእናት\" ክስዕብ ምዃኑ፡ ንቐዳማይ ክፋል መጽሓፉ ከኣ፡ ኣብታ ዝዓበየላ ተገፍቲና ዝጸንሓንቶ ቤቱ፡ መንነቱ ከይነገረ ነተን ን18 ዓመታት ዝተፈልየንን ዝጋገያኦን ኣደኡ ዝረኸበሉ መሳጢ ኣጋጣሚ ኣዝንትዩ ዛዚምዋ'ሎ። ማሞ፡ ናይ ነዊሕ ዓመታት ናይ ወተሃደር ተመኵሮኡ ምርኩስ ገይሩ፡ ነቲ፡ \"ሰራዊት ደርግ ኣብ መወዳእታ ዝተሳዕረሉ ምኽንያት እንታይ ኢልካ ትሓስብ?\" ተባሂሉ ብጋዜጠኛ ኢቢኤስ ዝቐረበሉ ሕቶ ከብርህ እንከሎ፡ ብወተሃደራዊ ሳይንስ፡ ካብ ማእከል እናረሓቕካ ክትከይድ እንከለኻ ደጀን ትስእን፤ መልክዓ-ምድሪ እቲ ቀንዲ ማእከል ኲናት ዝነበረ ብፍላይ ሳሕል 'መፈጠርካ ክሳዕ ትጸልእ' ጽንኵር እዩ። ብኣንጻሩ ኤርትራውያ ንዕላማኦም ጸኒዖም ኣብ ከምዚ ዝበለ ጽንኩር ኵነታት ን30 ዓመታት እዮም መሬት ነኺሶም ተዋጊኦም፤ ዝዓበዩሉ፡ ዝጐበዙሉ፡ ዝተማህሩሉ፡ ዝነገዱሉ፡ ዝተመላለስዎ፡ መእተዊኡን መውጽኢኡን ኣብ ዝፈልጥዎ መሬት እዩ 'ቲ ውግእ፣ ህዝቢ ድማ ንናጽነት ብዝነበሮ ክቱር ድሌት፡ ገዚፍ ደገፍ ገይሩ እዩ፡ ብምባል ስዕረት ሰራዊት ኢትዮጲያ ብናቱ ኣረዳድኣ ኣብሪሁ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግን፡ እቲ ብዛዕባ'ዚ ዝበሃልን ዝጸሓፍን ብዙሕ ቤላቤለውን፡ ንሰራዊት ኢትዮጲያ ኣነኣኢስካ ምርኣይን ግጕይ ምዃኑ፣ እቲ ሰራዊት ብዝከኣሎ ከም ዝተዋግአ፣ ግን ከኣ ነቲ ናይ ኤርትራውያን ናይ ናጽነት ድሌትን ንናጽነትካ ሓያል ናይ ምቅላስን ክስዕሮ ከም ዘይከኣለ ኣረዲኡ። ደራሲ ማሞ ኣፈታ፡ ኣብ ገበር ድሕሪት መጽሓፉ፡ 'መብዛሕትኡ ህዝቢ ኢትዮጲያ፡ ደቁ ኣብቲ ኲናት እንታይ ከም ዘጓነፎም ስለዘይፈልጥ፡ ደራሲ ከየጋነነን ከየጕደለን ከቕርብ ፈቲኑ'ሎ. . .።' ብምባል ንትሕዝቶን ኣገዳስነትን ኣቀራርባን እቲ መጽሓፍ ኣተንቢሁ'ሎ። \"እዚ መጽሓፍ ኣብ ልቢ ኢትዮጲያውያንን ኤርትራውያንን ዝሰፍር ሰነድ እዩ፡\" ድማ ይብል።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61561606"} {"headline":"ሃገረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያናት ኤርትራ፡ ንኵናት ኮኒኖም","content":"መንበረ ጵጵስና ቀኖናዊ ሃገረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያናት ኤርትራ፡ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ መሪር ኲናት ክብቕዕ ጸዊዖም። እቲ ትማሊ 02 ጥቅምት 2022 ዝወጽአ፡ ንኵናት ዝኹንን መግለጺ፡ “ኣብ መንጎ እዞም ኣብ ክልተ ሃገራት ዝነብሩ፡ . . . ካብ ሓንቲ መኣዲ ዝበልዑን ካብ ሓንቲ ጽዋዕ ዝሰተዩን [ቤተክርስትያን] ደቀይ እትብሎም ውሉዳ፥ ብሰይፍን ኩናትን ክጣፍኡን ክሃልቁን ምርኣይ መሪር ሓዘን እዩ” ይብል። ብምቕጻል እቲ ጽሑፍ፡ ኣብዚ ኵናት እዚ ህጻናት ኣቦታቶም ስኢኖም ክዝኽትሙ፡ ጎራዙት ሰብኡተን ሞይቶመን ጸጕረን ክድርመማ፡ ኣዴታት ክቕንዘዋን ክቑዝማን ኣቦታት ብጓሂ ክኹርመዩ፡ ማእሶም ብንብዓት ክጥልቅን ምርኣይ ንቤተ ከርስቲያን ከቢድ ጓሂ ምዃኑ ይገልጽ። እታ ቤተ ክርስትያን ውግእ ቀታል ሰባት ብምዃኑ ደው ክብል ከምዘለዎ’ውን ተማሕጺና። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ እቲ ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ምቁራጽ ተጻብኦ ኣብቒዑ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዳግም ኲናት ከምዝተወለዐ ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከበድቲ ውግኣት ይካየዱ ከም ዘለውን ሰፊሕ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ከም ዘሎን ይግለጽ። እዚ ኲናት፡ ዳግም ቅድሚ ምውልዑ ንኽልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት ንምሽምጋል ኣዋርሕ ዝወሰዱ ጻዕርታት'ኳ እንተተገብሩ፡ ነቲ ደማዊ ኲናት ደው ከብል ዘኽእል ውጽኢት ግን ኣይተረኽበን። መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፡ ሳልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ካብ መዝነቶም ድሕሪ ምውራዶም ነቲ ሰኔዶስ ብምቕዋም ኣብ 2005 ካብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ተፈንጪሉ ዝኸይድ ዘሎ እዩ። እቲ መንበረ ጵጵስና እዚ ኩናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኵናት ብህጹጽ ደው ክብልን እቶም ሰብ ጉዳይ ሽግሮም ብዘተን ልዝብን ክፈትሕዎ ጸዊዑ ምንባሩ ብምግላጽ ሕጂ እውን፡ እዚ ደጊሙ ዝተወልዐ፡ ሰብ ዘጽንት ዘሎ ከቢድ ውግእ  ኣብ ዝሓጸረእዋን ደው ክብል ምሕጽንትኡ ኣቕሪቡ። ብሰንኪ እዚ ኲናት፡ ኣብ ልዕሲ ሰላማውያንን ንጹሃት አሕዋት ህዝብታትን ዝወርድ ዘሎ ሞትን መከራን ብትሪ ብምኹናን፡ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዝወርድ ዘሎ ጥፍኣትን ስቓይን መሪር ጓህን ሓዘንን ከምዝሰመዓ ገሊጻ። ኣብቲ ኲናት ዝተወልዖ ዞባ ሰላምን ቅንሳነትን ንኽሰፍን ድማ ናይ ሰሙን ጾምን ጸሎትን ግዜ ኣዊጃ። ኲናት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ስፊሕ ምፍንቓልን ጥምየትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ከምዝርከብ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3gmg2926nro"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ትግራይ ብርቱዕ ኲናት ይካየድ ምህላው ተገሊጹ","content":"ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ትግራይ ኣብ ሞንጎ ዕጡቓት ትግራይን ሰራዊት መንግስቲ ፌደራልን ብርቱዕ ውግኣት ይካየድ ከም ዘሎ ጸብጻባት ገሊጾም። ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ብርክት ዝበላ ከተማታት ከም ዝተቐጻጸሩ ክገልጹ እንከለው፡ መሰኻኽር ዓይኒ'ውን ዕጡቓት ትግራይ ብከባቢኦም ክሓልፉ ከም ዝረኣዩ ተዛሪቦም። ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ግን ስኑዕ ዜና ብምባል ነጺግዎ። እቲ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ኵናት: ኣብ መወዳእታ እቲ ወርሒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዓወት ከምዝዛዘሞ ድሕሪ ምግላጹ፡ እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ኵናት እቲ ዝኸበደ እዩ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብዚ ኲናት ዝተቐትሉ ኮይኖም ሚሊዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ይርከቡ። በዚ ምኽንያት ኣስታት ሓሙሽተ ሚሊየን ህዝቢ ትግራይ ህጹጽ ረድኤት መግቢ ከም ዘድልዮን ልዕሊ 350 ሽሕ ሰባት ኣብ ኣፍ ዓጸቦ ከም ዝርከቡን ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የረድኡ። ብሰኑይ ሃገራዊ መረጻ ኣብ ዝካየደሉ እዋን'ዮም ኣብ ትግራይ ከቢድ ውግኣት ይካየድ ምህላው ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጽኡ ጀሚሮም። ብምኽንያት ኣብቲ ክልል ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ድማ ኣብ ትግራይ መረጻ ኣይተኻየደን። ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ገብረ ገብረጻድቃን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰራዊቱ ከተማታት ንምቁጽጻር ትኹረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ከም ዝኸፈቱ ተዛሪቡ። ኣብዚ ወፍሪ ብርክት ዝበላ መካይን ከም ዘዕነውን ምሩኻት ከም ዝሓዙን እውን ገሊጹ። መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ከተማ ዓዲ ግራት ኣትዮም ከም ዝነበሩ እዮም ዝገልጹ። እዚ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣብ ዘለው ኣዋርሕ ዝተራእየ ዓብዪ ምንቅስቓስ'ዩ። ብተወሳኺ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ብሸነኽ ሰሜንን ደቡብን ኣብ ዝርከባ ብዙሓት ከተማታት ተራእዮም ነይሮም። ወሃቢ ቃል ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮሎኔል ጌትነት ኲናት ይካየድ ከም ዘሎ እኳ እንተኣመነ፡ ዝኾነት ከተማ፣ ዕጥቂ ወይ'ውን ሰራዊት ኣይተትሓዙን ኢሉ። \"መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ግድብ ሕዳሰ ኣብ ዝተጸመደሉ ግዜ፡ ኣሸባሪ ጉጅለ ህወሓት [ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ትግራይ ቑልፊ ተራ ኣለዎ] ምስ መናእሰይ ኮይኑ ኣብ ግብረ ሽበራዊ ተግባራት ተጸሚዱ ኣሎ\" ኢሉ። እቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ቑልፊ ኣመራርሓ ንምሓዝ ዝተኻየደ'ዩ ነይሩ'ውን ኢሉ። ብሰራዊት ኤርትራ ዝድገፍ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር 2021 ኣንጻር ህወሓት ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምውሳድ ክጅምር እንከሎ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ወርሒ ብዓወት ከም ዝዛዘመ ገሊጹ ነይሩ። ኣመራርሓ ህወሓት ምስ ፖለቲካዊ ጽገናታት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዘይሳነዩ ኮይኖም፡ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዝነበረ ወተሃደራዊ መዓስከር እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ፈጺሞም ዝብል ክሲ ኣፈላላዮም ናብ ረጽሚ ክዓርግ ምኽንያት ኮይኑ'ዩ። ድሕሪ'ዚ ህወሓት ምስ ካልኦት ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ሓይልታት ብምዃን 'ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ' ዝብል ሰራዊት መስሪቱ ይርከብ። ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ብድሕሪ'ቲ ክልተ ሻብ ተናዊሑ ብሰኑይ ዝተኻየደ መረጻ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርኢይቶ፡ ኣብቲ ክልል ይሳተፉ ዘለው ሰራዊት ኤርትራ ንምውጻእ ይስራሕ'ኳ እንተሃለወ \"ደፊእና ግን ኣይነውጽኦምን\" ኢሉ ነይሩ። ሰራዊት ኤርትራ ጃምላዊ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ብምፍጻምን ሰብኣዊ ረድኤት ብምኽልካልን'ኳ እንተተኸሰሱ፡ ኤርትራ ነዚ ክስታት \"ጸለመ\" ክትብል ትነጽጎም። ብተወሳኺ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ትግራይ ጥምየት የለን ኢሉ። እኳ ድኣ ኣብ ትግራይ ጸገም'ዩ ዘሎ፤ ነዚ ድማ ክንፈትሖ ንኽእል ኢና ዝብል ርኢይቶ ሂቡ። ብኻልእ ወገን ህወሓት ኣብ ዝሓለወ ወርሒ ግንቦት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ስለ ዘስፈሮ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ምስዞም ሓይሊ ክዘራረብ ከም ዘይደሊ ገሊጹ'ዩ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57563847"} {"headline":"ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተሳተፉ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ዓቃቢ ሰላም ከይዋፈሩ ተሓቲቱ","content":"ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተሳተፉ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ዓቃቢ ሰላም ከይዋፈሩ ክእገዱ ኣቦ መንበር ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሓቲቱ። ኣቦ መንበር እቲ ኮሚቴ ሴናተር ቦብ ሜንዴዝ፡ እቶም ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ዝተሳተፉ ወተሃደራት፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘይምፍጻሞም ብዕሊ ክሳብ ዘይተረጋገጸ፡ ኣብ ስራሕቲ ዓቃቢ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይሳተፉ ክእገዱ ኣለዎም ዝብል ሕቶ ኣቕሪቡ። ሴናተር ቦብ ሜንዴዝ እዚ ዝሓተተ፡ ትማሊ ንዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃራት ኣብ ዝጸሐፎ ደብዳበ እዩ። ኣብቲ ታሽዓይ ወርሑ ዘቑጽር ዘሎ፡ ሕሱም ኲናት ትግራይ፡ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ወተሃደራት ኤርትራን ኣምሓራን ካልኦት ዕጡቓት ሓይልታትን ኮይኖም፡ ብዕስለን ብዝተወደበን፡ ንደቂ ኣንስትዮ ምዕማጽ፣ ሰላማውያን ሰባት ክጠምዩ ብምግባር፣ ብሃበ ተረኽበ ቀትለትን ጨፍጫፍን ምፍጻምን ካልኦትን ከም ገበናት ኲናትን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊነት ዝፍጸም ገበናትን ምስታፎም ዘርኢ እሙን መረዳእታ ከምዘሎ፡ ቦብ ማንዴዝ ሓቢሩ። \"ኣብ ኢትዮጵያ ሕሱም ዝኾነ ኲናት ትግራይ ዝተሳተፉ ኩሎም ኣካላትን ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ነበርቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሞም እዮም\" ኢሉ። እቲ ሰናተር ወሲኹ ድማ፡ \"ሓደ ወተሃደር ቀዲሙ ዝፈጸሞ ነገር: ኣብ ምኽባር ሰላም እንትሳተፍ እንታይ ዓይነት ባህሪ ከምዝህልዎ ዘመልክት እዩ። ከምዚ ዓይነት ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ምፍጻም ዝለመዱ ወተሃደራት፡ መለለዪ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ስለዝደረቡ ባህሪኦም ይቕየር ማለት ኣይኮነን\" ኢሉ። ንሱ፡ ቀጺሉ፡ \"ኣብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተሳተፉ ወተሃደራት ኣብ ዓቃቢ ሰላም ክሳተፉ ምግባር እንታይ ሳዕቤን ከምዘምጽእ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተሳተፉ ወተሃደራት ካብ ዓቃቢ ሰላም ካብ ምስታፍ ክእገዱ ይግባእ\" ኢሉ። ንሱ፡ ብፍላይ እቲ ገበናት ብዘይሻራዊ ኣካል ክሳብ ዝጻረ፡ እዚ እገዳ ክጸንዕ ኣለዎ'ውን ኢሉ። ኢትዮጵያ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰላም ምኽባር ስራሕቲ ልዑል ቁጽሪ ዘለዎም ወተሃደራት ስለእተዋጽእ፡ ኣባላት ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ኲናት ትግራይ ብዛዕባ ምስታፎምን ዘይምስታፎምን ትርንዕ ዝበለ ምጽራይ ክግበር ኣለዎ - ኢሉ ምሕታቱ ድማ ኣብ'ቲ ደብዳበ ሰፊሩ ይርከብ። ኣቦመንበር እቲ ኮሚቴ፡ ኣብ ሃይቲ ዝተዋፈሩ ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም ስሪላንካ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ዝፈጸምዎ ዓመጽ ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ ፈጸምቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ከምዚ ዓይነት ሰላም ናይ ምኽባር ወፍርታት ከይሳተፉ ተሪር ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ ኢሉ። ሃገር ለኸ ምጽራይ ተኻይዱ፡ ኣብ'ቲ ጎንጺ ኣብ ልዕሊ ውልቀሰባት ኮነ፡ ኣብ ልዕሊ ዝኾኑ ኣካላት ግህሰት ዝፈጸመ ክሳብ ዝፍለ፡ እቲ ስጉምቲ ክውሰድ እቲ ኣቦ መንበር እቲ ኮሚቴ ይሓትት። ብኸምዚ ዓይነት ተግባራት ዝጥርጠሩ ወተሃደራት፤ ኣብ ኣገልግሎት ሰላም ምኸባር ንክሳተፉ ብቑዓት ኣይኮኑን'ውን ኢሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊድ ንደብዳበ እቲ ሴናተር ዝሃቦ ምላሽ የለን። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ወፍሪታት ዓቃቢ ሰላም 'ጾታዊ ግህሰትን በደልን' ብዝብል ኣብ 2003 ሓደ ውሳነ ምሕላፉ ይዝከር። ከምኡ ድማ፡ እቲ ውድብ ሕቡራት፡ ኣብ ዓለምለኸ ሕግታት ሰብኣዊነትን ሰብኣዊ መሰላትን ከቢድ ጥሕሰት ፈጺሞም ዝበሃሉ ወተሃደራት ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ገይርካ ምውፋር ዝኽልክለ ሕጊ ኣብ 2011 ኣጽዲቑ እዩ። ወተሃደራት መንግስቲ ኣብ ከምዚ ዓይነት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተሳቲፎም እዮም ዝብል ጥርጣረ ኣብ ዝህልወሉ፡ ከምቲ ኣብ ከም ሃገራት ስሪላነካን ብሩንድን ዝተገበረ፡ 'ስክሪን ፕላስ' [ደጊምካ ምጽራይ] ዝብል ኣሰራርሕ ከምዝኽተል ኣብ ደብዳብኡ ኣዘኻኺሩ። እዚ፡ መንግስታት ባዕሉ ከጻርዩ ይግበር እዩ፤ እንተኾነ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንባዕሉ በቲ ገበን ኲናትን ሰብኣዊነትን ዝክሰስ ስለዝኾነ፡ ከምኡ ዓይነት ምጽራይ ክገብር ብቑዕ ኣይኮነን ይብል። ብዚ ምክንያት እዚ ተግባር ክፍጽም ዘለዎ፡ ብላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝኾነ ሓቢሩ። ------ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት፡ ኩሎም ተሳተፍቲ ኣካላት ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝሕተቱ ኾይኖም፡ ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ዓለም ለኸ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ጃምላዊ ቅትለትን፣ ጾታዊ ዓመጽ፣ ዝምታን ዕንወትን ከምዝተፈጸመ ጸብጺቦም። እዚ ከምዚ እንተሎ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ትማሊ ኲናት ትግራይ ሰላማዊ ፍታሕ ንኽረክብ፡ ኣብ ልዝብ ዝተመስረተ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ምጽውዑ ዝዝከር እዩ። ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብስልኪ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ምዃኑ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ዝወጽአ መግለጺ የመልክት። እንተኾነ እቲ ዘተ ኣመልኪቱ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዛጊድ ዝተብሃለ ነገር የለን። ሰብ መዚ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ንዓጸቦ ተቓሊዖም ከምዘለዉ ይገልጹ። ኣስታት 1.8 ሚልዮን ካብ ህዝቢ እቲ ክልል'ውን ብሰንኪ እቲ ኵናት ሓደጋ ዓጸቦ ኣንጸላልይዎም ኣሎ ይብሉ። ኣመሪካ፣ ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት ዓለምለኻውያን ትካላትን ብወገኖም፡ \"ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ይስርሓሉ ኣሎ\" ዝብል ክሲ ብምቕራብ፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ብዘይዝኾነ ገደብ ናብቲ ክልል ክኣቱ ክጽውዑ ጸኒሖም'ዮም። መንግስቲ ፌዴራል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን በይናዊ ተኩሲ ደው ምባል እንተኣወጀ'ኳ፡ ካብቲ ዕለተ እወጃ ጀሚሩ፡ ኣገልግሎት ስልኪ፣ መብራህቲ፣ መገድን ባንክን ተዓጽዮም ከምዘለዉ ይዝራብ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57714491"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ሓይልታት ትግራይ ተወሰኽቲ ከተማታት ተቖጻጺሮም","content":"ኣንጻር ሰራዊት ፌደራል ዝዋግኡ ዘለው ሓይልታት ትግራይ ብሰኑይ ንርእሰ ከተማ እታ ክልል ድሕሪ ምቁጽጻሮም ተወሳኺ ቦታታት ይምንዝዑ ከም ዘለው ተገሊጹ። ትማሊ ካብ መቐለ ኣስታት 310 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ሽረ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ምእታዋ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጾም። ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክዋግኡ ዝጸንሑ ወተሃደራት ኤርትራ'ውን ነታ ከተማ ገዲፎምዋ ከምዝወጽኡ ጸብጻባት ሓቢሮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ሸሞንተ ኣዋርሕ ዘቑጸረ ኲናት በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክእውጅ እንከሎ፡ ብኣንጻሩ እቶም ተዋጋእቲ \"ጸላእትና\" ካብ ትግራይ ክሳብ ዝወጽኡ ክንቅጽል ኢና ኢሎም። ብሰንኪ እቲ ኣብ ሞንጎ ህወሐት ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ፌደላራዊ መንግስትን ዝተወለዐ ግጭት ኣሽሓት ሰባት ከምዝሞቱ ጸብጻባት ይሕብሩ። ልዕሊ ክልተ ሚልኦን ሰባት ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ክመዛበሉ እንከለው 350 ሽሕ ሰባት ድማ ንዓጸቦ ከም ዝተቓልዑ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይጠቕሱ። ምስ ዕረያታት ማእከላይ መንግስቲ ዘይተቓደው ሓይልታት ትግራይ ንወተሃደራዊ መዓስከር ሰሜን እዚ ምስተቖጻጸሩ እቲ ኲናት ኣብ ወርሒ ሕዳር ክጅምር እንከሎ፤ ኣብ መወዳእታ እቲ ወርሒ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንመቐለ ተቖጻጺሮም ነይሮም። ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዙርያ መቐለ ድሕሪ ክካየዱ ዝቐነዩ ከበድቲ ውግኣት መቐለ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ሓይልታት ትግራይ ክትኣቱ እንከላ ነበርቲ ጸምቢሎም። ማእከላይ መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ምቁራጽ ተጻብኦ ግን \"ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦ\" ክብል ገሊጹዎ ኣሎ። ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሓይልታት ትግራይ ኣገዳሲ እንተኾይኑ ክሳብ ኤርትራን ኣምሓራን ብምእታው \"ንጸላእትና ክንድምስሶም ኢና\" ኢሉ። \"እቲ ጸላኢ ዳግም ንህዝብና ስግኣት ከም ዘይኸውንን ዓቕሚ ከም ዘይህልዎን ከነረጋግጽ ኣለና\" ኢሉ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ሃለዋት ሰራዊት ኤርትራን ኣብ ትግራይ እንታይ እዩ ዝብል ንጹር ኣይኮነን። ሓደ ነባሪ ሽረ ንሮይተርስ ከም ዝበሎ ግን እቶም ሰራዊት ንኣንፈት ሰሜን ናብ ዶብ ገጽ ከም ዝኸዱ ገሊጹ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓይልታት ትግራይ ንዝበዝሕ ከባቢታት እቲ ክልል ከም ዝተቖጻጸሩ ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ ገሊጹ። ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ሓይልታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ጃምላዊ ቅትለትን ከም ዝፈጸሙ ይኽሰሱ። ብሰሉስ ላዕለዋይ በዓል መዚ መንግስቲ ኣመሪካ ሮበርት ጎዴክ፡ ሃገሩ፡ ኣብ ትግራይ \"ዘስካሕክሕ ግፍዕታት\" ከፍጸም እንከሎ ጠጠው ኢላ ከም ዘይትርእዮ ሓቢሩ። ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነድ ፕራይስ፡ ምቑራጽ ተጻብኦታት 'ኩናትን ግፍዕን' ጠጠው ክብልን ከምኡ'ውን ገደብ ዘይብሉ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ ክሕግዝ ከም ዝኽእል ብምሕባር ኣውንታዊ ስጉምትታት ከም ዘለዎ ሓቢሩ። ውድብ ሕቡራት ኣብ ትግራይ ኩነታት ዓጸቦ ኣሎ'ዩ እንተበለ'ውን ኢትዮጵያ ግን ትነጽጎ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57632734"} {"headline":"ቅልውላዉ ትግራይ፡ ኣብ ዓድዋ ‘ወተሃደራት ኤርትራ ብዝኸፈትዎ ተዂሲ ሰባት ተቐቲሎም’","content":"ኣብ ከተማ ዓድዋ ብሰኑይ 4 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ቅድሚ ቀትሪ ዕጡቓት ወተሃደራት ብዝኸፈትዎ ተዂሲ ሰባት ከም ዝሞቱን ከም ዝቖሰሉን ተገሊጹ። ሰብመዚ ትግራይ ብውሕዱ ሓደ ሰብ ከም ዝሞተ ክገልጹ እንከለዉ፡ ገለ ነበርቲ ናይታ ከተማ ግን 8 ሰባት ምሟቶም ተዛሪቦም። ተጣባቒ ጉጅለ ኣምነስቲ ኢንተርሽናል ብወገኑ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ከተማ ዓድዋ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ብውሑዱ ሰለስተ ሲቪላት ከምዝቐተሉ ሓበሬታ ከምዝረኸበ፡ ኣብቲ ትካል፡ ተመራማሪ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣይተ ፍስሃ ተክሌ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ኣኽሱም ዝሰርሕ ሓደ ዶክተር ትማሊ ካብ ረፋድ ጀሚሩ ክሳብ ድሕሪ ቐትሪ 20 ዝቖሰሉ ሰባት ካብ ዓድዋ ከም ዝመጽእዎም ንቢቢሲ ሓቢሩ። ዓለምለኻዊ ማሕበር ዶብ-ኣልቦ ሓካይም (ኤም-ኤስ-ኤፍ) ንገሊኦም ቁሱላት ካብ ዓድዋ ናብቲ ሆስፒታል ከም ዘምጽኦም ዝገለጸ እቲ ዶክተር \"ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 20 ቁሱላት ንሕክም ኣለና\" ኢሉ። ማሕበር ዶብ ኣልቦ ሓካይም ብወገኑ፡ ትማሊ ብትዊተር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ብሰኑይ 18 ቁሱላት ናብ ሆስፒታል ኪዳነምህረት ዓድዋ መጺኦም ሓገዝ ከም ዝተገበረሎምን 11 ብኸቢድ ዝቖሰሉ ንዝለዓለ ሕክምና ናብ ሆስፒታል ኣኽሱም ከም ዝተላእኹ ኣመልኪቱ። ወተሃደራት ኣብ ልዕሊ'ቶም ግዳያት ከምዝቶኮሱ፡ እቶም ቁሱላት ተዛሪቦም ክብል'ውን እቲ ገባር ሰናይ ማሕበር ጠቒሱ። ካብቶም ዝቖሰሉ እቶም ሽድሽተ ኣዝዮም ስለ ዝተሃስዩ ኣብ ጽኑዕ ክትትል ከምዘለዉን፤ ኣብ ሞንጎኦም ሓንቲ ሰበይቲ ከምእትርከቦምን እቲ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓኪም ገሊጹ። ንሱ ከም ዝበሎ ገሊኦም ኣብ ከባቢ ከብዶም፤ ዝተረፉ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኣካላቶም ከም ዝተወቕዑ ሓቢሩ። እቶም ቁሱላት መብዛሕትኦም ኣብ ክሊ ዕድመ ፈለማ 20ታት ዝርከቡ መናእሰያት ክኾኑ እንከለው ሓደ ከባቢ 60ታት ዝዕድሚኦም ኣቦ ከም ዝርከብዎም እቲ ዶክተር ሓቢሩ። ኣብ ከተማ ዓድዋ 'መናሃርያ' ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ዘረጋገጹልና ኣብ ግዝያዎ ምምሕዳር ትግራይ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ከተማ ኣኽሱምን ዞባ ማእኸልን ኣይተ ኣስገዶም ስዩም፡ ብመኪና ተጻዒኖም ዝኸዱ ዝነበሩ ወተሃደራት ኤርትራ ''በዓል ባጃጅ መገዲ ዓጽዩና ብዝብል'' መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡ ቁጽሪ በቲ መጥቃዕቲ ጉድኣት ዝበጸሖም ሰባት ክገልጽ እንከሎ ድማ ''ኣብቲ በዓል ባጃጅ እዮም ጉድኣት ኣብጺሖም፤ ዝበጸሐኒ ሓበሬታ ሓደ ሰብ ከም ዝሞተ፣ ዝተወቕዑ ልዕሊ 5 ከም ዝኾኑን እዩ፡፡ ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ኣኽሱም እዮም ዝርከቡ'' ኢሉ። ''ህዝቢ ኣኽሱም እውን ኣብ ጉያን ምህዳምን እዩ ውዒሉ፤ ወተሃደራት ኤርትራ ሰባት እናወቕዑ ይመጽኡ ኣለዉ ዝብል ናብ ኣኽሱም ተደዊሉ። እቲ ህዝቢ ድማ ንብረቱ ገዲፉ፣ ኣብ ዕዳጋ ዝነበረ ንብረቱ ከይዓጸወ ብምህዳም ኣደዳ ሰረቕቲ ኮይኑ ውዒሉ'' ክብል ኣይተ ኣስገዶም ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡ ብዛዕባ'ቲ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ብወገን ኤርትራ ዛጊት ዝተዋህበ መግለጺ የለን። ብዛዕባ'ቲ ኣብ ከተማ ዓድዋ ተፈጺሙ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ካብ ሓላፊ ሓይሊ ዕማም ትግራይ ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ ገብረመስቀልን ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳይ ወጻእን ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ዝገብርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን። ዝሓለፈ ሰሙን ግን፡ ዶብ ሰጊሮም ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተው ወተሃደራት ኤርትራ ምውጻእ ከም ዝጀመሩ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሓቢሩ ነይሩ። ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ትግራይን ዝነበረ ፍልልያት ተጋዲዱ፡ ብኣቆጸጽራ ኣውሮጳ 4 ሕዳር 2020 ኲናት ምስተወለዐ፡ ሰበስልጣን ትግራይ መንግስቲ ኤርትራ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምሕጋዝ ናብቲ ኲናት ከም ዝኣተወን ኣብ ዝተፈላለዩ ካባቢታት ምስ ሓይልታት ትግራይ ይዋግኡ ከም ዘለዉን ገሊጾም ነይሮም፡፡ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ነቲ ወታሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣለዉ ዝብል ክሲ ብተደጋጋሚ ክነጽጉዎ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ስለ ዝተንሳቐሰ ናይ ድሕነት ስግኣት ዝሓደሮ መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ኣብ ዶብ ዘለዉ ከባቢታት ከም ዝተቖጻጸረ ገሊጹ። ኣብ ዓድዋ እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ? ቢቢሲ ዘዘራረቦም ግዳያት መጥቃዕትን ነበርትን ከምዝበልዎ፤ ወተሃደራዊ ክዳን ሰራዊት ኤርትራ ብዝተኸደኑ ዕጡቓት'ዩ እቲ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ። ካብ ሞንጎ ቖሲሎም ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ኣኽሱም ዝርከቡ ተሓከምቲ፤ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ኣብ ስራሕ ምቕምቃም ጸጉሪ ዝተዋፈረ መንእሰይ፡ ሰኑይ ንጉሆ ናብ ስራሕ እናኸደ፡ ኣብ ከባቢ ዲጋዲግ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መዕረፊ ኣውቶቡስ፡ ኣብ ዝባን መኪና ኾይኖም ብዝትኩሱ: ክዳን ወታሃደራት ኤርትራ ዝተኸደኑ ወታሃደራት ብጥይት ከም ዝተወቕዐ ገሊጹ፡፡ ''ክልተ ናይ ኤርትራ ወተሃደራት ዝጸዓና መካይን፡ ኤፍኤስኣር ዝዓይነተን ይመስለኒ ኣብ ከባቢ ኣንበሳ ባንኪ ኣብ ጥቓይ ምስ በጽሑ ተኹሲ ጀሚሮም… ኣጋጣሚ ኣብ ጥቓይ ድኳን ስለ ዝነበረ ናብኡ እትው ምስ በልኩ ኣብ ሰለስተ ገጽ ወቒዖምኒ፡፡ ክልተ ኣብ ዝባነይ ብድሕሪት ገጽ፡ ሓደ ድማ ኣብ ከብደይ'' ኢሉ፡፡ ብተመሳሳሊ መቑሰልቲ ኣብቲ ሆስፒታል ዝርከብ ካልእ ነባሪ ብወገኑ ሓንቲ ባጃጅ (በዓልቲ ሰለስተ እግሪ ጎማ ተሽከርካሪት) ነተን ሰራዊት ዝጸዓና መኻይን መገዲ ከም ዝዓጸወተን ይዛረብ። ''ከመይ ምዃኑ ኣይፈለጥኩን ኣብ ቅድሚኦም ሕልኽልኽ ክትብል ንርእያ ኔርና፤ [መገዲ] ዓጽያቶም ነይራ፤ ሽዑ ተኹሲ ተጀሚሩ፡፡ ሰብ እናሃደመ ስለዝነበረ ኣነ'ውን ዝሰርሓሉ ፊት ንፊት ስለዝኾነ ተኹሲ ምስ ሰማዕኩ ልግስ ክብል ኢለ እናኸደኩ እየ ተወቒዐ'' ኢሉ፡፡ ንሱ፡ ብሓሙሽተ ጠያይቲ ከም ዝተሃርመ ድሕሪ ምግላጽ፡ ''ሓደ ኣብ ጥቓ ክሳደይ፣ ኣብ ሑቐይ ሰለስተ፣ ኣብ ኢደይ ሓደ ውቃዕ ኣለኒ'' ክብል ንቢበሲ ተዛሪቡ፡፡ ክልቲኦም ቁሱላት ሕክምና ንምርካብ ኣብ ዓድዋ ናብ ዝርከብ ብልሙድ 'ዶንቦስኮ' ብዝብል ዝፍለጥ ሆስፒታል ከምዝኸዱን ጉድኣቶም ከቢድ ብምንባሩ ግን ናብ ኣኽሱም 'ሪፈር' ከምዝተበሃሉን ይዛረቡ። ምስቲ ብሰኑይ ተፈጺሙ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ካልእ ተቐማጢ ከተማ ዓድዋ ብወገኑ፡ እቶም ወተሃደራት ናብታ ከተማ ክኣትዉ ኸለዉ ቅድሚ እቲ ፍጻመ ኣብ ዓድዋ ኲናት ዝበሃል ከምዘይነበረ ተዛሪቡ። ኣመዓባብላ ናይቲ ኵናት ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገመንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ። ጠንቂ ናይቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ መጋቢት 2018 ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣንን ምድኻምን ምድፋእን ህወሓት ካብቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዓብላልነት ዓትዒትዎ ዝነበረ ፈደራላዊ ስልጣንን ዝተኣሳሰር'ዩ። ኣብ ሕዳር 2019፡ ኢህወዴግ ውሁድ ገዛኢ ሰልፊ ክኽውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ ህወሓት ነቲ ውሳነ ስለ ዘይተቐበሎ ከም ዝወጽእ ኣነጺሩ። ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይቲ ዓመት ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ፍትሕ ወግዓዊ ኮይኑ። በዚ ድማ ብልጽግና ገዛኢ ሰልፊ ኮይኑ፡ ህወሓት ከኣ ከም ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብዶ\/ር ኣብዪ ዝምራሕ ብልጽግና ደው ኢሉ። ኣብ መጋቢት 2020 ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከም ዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል'ዩ ዝብል ምጉት ብምልዓል ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን። እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይቲ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ዝነበሮ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ንውሳነ ኮሚሽን ምርጫ ብምርዓም፡ ዕድመ ስልጣን ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት ክናዋሕ ውሳነ ኣሕሊፉ። ህወሓትን እቲ ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብወገኖም፡ እቲ ውሳነ \"ዘይሕገመንግስታዊን\" \"ዘይሕጋውን\" ብምባል ንውሳነ ናይቲ ቤትምኽሪ ነጺግዎ። ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልቲኡ ባይቶታትን ኣፍልጦ ከም ዘይህቦም'ውን ኣፍሊጡ። እቲ ውሳነ ቅድሚ ምሕላፉ'ውን፡ እታ ኣፈጉባኤ ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝነበረትን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን ዝነበረት ወ\/ሮ ኬርያ ኢብራሂም እቲ ውሳነ ከይሓለፈ እንከሎ ተቓውሞኣ ንምግላጽ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ወሪዳ። ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንውሳነ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ድሕሪ ምጽዳቑ ኸኣ፡ ባይቶ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ምርጫ ከካይድ ብ12 ሰነ 2020 ወሲኑ። ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ክልላዊ ምርጫ ከካይዶ'ኳ ብወገን ትግራይ ጠለብ ቀሪቡሉ እንተነበረ፡ ስለዝነጸጎ፡ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ከቕውም ተገዲዱ። ብ9 መስከረም 2020 ድማ ምሉእ ብምሉእ ህወሓት ዝተዓወተሉ ክልላዊ ምርጫ ተኻይዱ። ድሕሪ'ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም። እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ። ብወገን ህወሓት፡ ዝርርብ ክካየድ እንተኾይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርት፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፈትሕን ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ክፍጠርን ዝብል ቅድመ ኵነት ቀሪቡ። እንተኾነ ግን፡ እቲ እናኸረረ ዝመጸ ምትፍናንን ወጥሪን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕን ሰፊሕን ኲናት ኣምሪሑ፡ ኣብቲ ክልል ከቢድ ቅልውላዉ ፈጢሩ ይርከብ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56740880"} {"headline":"ብመንግስቲ ኣመሪካ እገዳ ዝተነብረሉ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ መን እዩ?","content":"ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ ኣብ ጥቓ ኣስመራ እትርከብ ጸሎት ኣብ እትበሃል ዓዲ ተወሊዱ፤ ኣብ 1972 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ተሰሊፉ። ድሕሪ ወተሃደራዊ ታዕሊም ካብ ከበሳ ናብ ሳሕል ሓደስቲ ተዓላሞ ምስ ዘመላልሱ ዝነበሩ ጉጅለ ሰሪሑ። እቲ ውድብ ብዓቕሚ ሰቡ ክዓቢ ምስ ጀመረ ከኣ ኣብ ክፍሊ ዕቃበ ብረት ንነዊሕ እዋን ኣገልጊሉ። ኣብ ቃልሲ ዝነበሮ ተራን መዝነትን ዳሕራይ ኣብ ቦጦሎኒ ትሽዓተ ከም ኮሚሽነር ጋንታ ተመዲቡ፤ ብዙሕ ከይጸንሐ ከኣ ኣዛዚ ሓይሊ ኮይኑ ተመዚዙ። ኣብ መፋርቕ 1977 ኣብ ብርጌድ 23 ኮሚሽነር ቦጦሎኒ ኮይኑ፡ ከተማታት ሓራ ንምውጸእ ኣብ ዝተኻየደ ውግኣት ተሳቲፉ። ኣብ 1978 እዋን ምዝላቕ [ሰውራ ኤርትራ ብሰንኪ ምትእትታው ሕብረት ሶቬት ካብ ዝሰፍሐ ሓራ መሬት ኤርትራ ተደፊኡ ናብ ኣኽራናት ሳሕል ዝተመልሰሉ እዋን] ኮሚሽነር ብርጌድ 44 ኮይኑ ተመዚዙ። ካብ ከበሳ ክሳብ ሳሕል ኣብ ዝተኻየደ ዓበይቲ ተኸታተልቲ ወራራት፡ ኣብ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ምስ ዝነበረ ሰራዊት ተዋጊኡ። ብቐረባ ዝፈልጥዎ ከምዝሕብርዎ፡ ጀነራል ፍሊጶስ ኣብ ከም ምድምሳስ ውቃው እዝ 1984፤ ምድምሳስ ናደው እዝ 1988፤ ስግረ ዶባዊ ስርሒት ኣሶሳ ኢትዮጵያ 1990፤ ንወደባዊት ከተማ ባጽዕ ናጻ ሓራ ብምውጻእ ሎጂስቲካዊ ቀረብ ስርዓት ደርግ ብምድኻም ንምስዓሩ ኣብ ዝተኻየደ ስርሒት ፈንቅል 1990፤ ከምኡ'ውን ኣብ ዛዛሚ ኵናት 1991 ንሰራዊቱ መሪሑ ንኤርትራ ሓራ ኣብ ምውጻእ ተሳቲፉ። እታ ጀነራል ፍሊጶስ ዝመርሓ ዝነበረ ክፍለ ሰራዊት ምስተን ንኸተማ ደቀምሓረ ዘጥቀዓን ንከተማ ኣስመራ ቀዲመን ዝኣተዋን ኣሃዱታት እያ ነይራ። ድሕሪ ናጽነት ዝነበሮ ሓላፍነት ፊሊጶስ፡ ድሕሪ ናጽነት ናይ ሜጀር ጀነራልነት መዓርግ ተዋሂቡ ኣዛዚ ኮር ኮይኑ ተመዚዙ። ኣብ ኵናት ዶባት ኢትዮ-ኤርትራ [1998-2000] ኣዛዚ ግንባር መረብ ሰቲት ኮይኑ ኣገልጊሉ ምንባሩ ይፍለጥ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ሓሙሽተ ወተሃደራዊ ስርሒት ዞባታት ተኸፋፊሉ ኣብ ዝተመሓደረሉ እዋን ከኣ ኣዛዚ ስርሒት ዞባ ክልተ (ስርሒት ዞባ ጋሽ ባርካ) ኮይኑ ኣገልጊሉ። ኣብ 2014 ጠቕላሊ ሓለቓ እስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ነበር ሜጀር ጀነራል ዓንደማርያም ገረዝግሄር (ውጩ) ብሕማም ምስ ዓረፈ፡ ብዓል ኣርባዕተ ኮኾብ ምሉእ ጀነራል ብምዃን ማዕረግ ወሲኹ ንቦትኡ ተኪኡዎ። ክሳብ ሕጂ ከኣ በቲ ሓላፍነት ይሰርሕ ኣሎ። ጀነራል ፊሊጶስ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ጉዕዞኡ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ጽኑዕ ቁጽጽር ዘካይድ፡ ንወተሃደራዊ ውጥንን መደባቱን ብጥብቂ ዝቆጻጸር፡ ኣብ ኵናት ንኣሃዱታቱ ብቐረባ እናተኸታተለ ጸገማቶም ብምርዳእ መፍትሕን መምህርሕን ዝህብ ‘ተባዕ’ ወተሃደራዊ ሓላፊ ምዃኑ ይንገረሉ። ኣብ ውልቃዊ ባህሪኡ “ኣዝዩ ዕቱብ፤ ሃንደፍ ኢሉ ዘይዛረብ፤ ኣዝዩ ጥንቁቕ ግን ከኣ ንሕስያ ዘይብሉ ተሃላላኺ ወተሃደር’ዩ” ይብሉዎ መሳርሕቱ ነበር። ኣብ 2002፡ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ፡ ጉዳይ እቶም ሕቶ ለውጢ ዘልዓሉ ግን ከኣ መንግስቲ 'ብኽሕደት' ሃገር ዝኸሰሶም ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዝኣተው ብጉጅለ-15 ዝተሰምዩ ኣባላት ማእከላይን ሃገራዊ ባይቶን ክዝቲ ኣብ ዝተጋብአ ኣኼባ፡ ካብቶም ምስ ሚኒስተር ፎዝያ ሓሺም፡ ሚኒስተር ጸዓት ተስፋይ (ቺና) ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ኣመሓዳሪ ዞባ ነበር ሙስጠፋ ኑርሑሴን እቶም ዝተኣስሩ ብተምበርካኽነትን ዕጥቂ ምፍታሕን ካብ ዝኸሰሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ’ዩ ነይሩ። እቶም ኣብ መስከረም 2001 ዝተኣስሩ ላዕለዎት ሰበስልጣን ክሳብ ሕጂ ን20 ዓመት ኣብ ቤት ፍርዲ ኣይቀረቡን፡ ደሃዮም ኮነ ሃለዋቶም እውን ክሳብ ሕጂ ኣይፍለጥን እዩ። ጀነራል ፊሊጶስ ኣብተን ብኣሕታሚ ሕድሪ ዝሕተማ ተኸታተልቲ መጻሕፍቲ ኣብታ ዛዛሚ ኵናት እትብል መጽሓፍ፡ “ ኵናት ካብ ስነፍልጠት ንላዕሊ ስነ-ጥበብ እዩ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ተመኩሮኡ ንዘጋጠሞ በዳሂ ኩነታትን ነቲ ጸገማት ንምፍታሕ ዝተወስደ ምትዕጽጻፍን ዘረድእ ዝጸሓፋ ጽሕፍቲ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ተስፋ ኒውስ ‘A Battle is More Like an Art than Science’- Gen. Filipos Weldeyohanes ብዝብል ኣርእስቲ ብመንግስ ሳሙኤል ብኢንግሊዝኛ ተተርጒማ ኣላ። እገዳ መንግስቲ ኣመሪካ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ንጠቕላሊ ሓለቓ እስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ፡ ኣብ ትግራይ ምስ ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብዝተኣሳሰር 'ግሎባል ማግኒትስኪ ኣክት' ተባሂሉ ዝፍለጥ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንዝፈጸሙን ኣብ ብልሽውና ንዝሳተፉን ኣካላት ብተሓታትነት ዝሓትት 'ጸሊም መዝገብ' ኣስፊሩዎ ኣሎ። እቲ ብክፍሊ ፋይናንስ ኣመሪካ ዝወጽአ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሓይልታት ኤርትራ ኣብቲ ከሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ትግራይ፡ ጃምላዊ ቅትለት፣ ዝምታን ጾታዊ ዓመጽን ዝርከብዎም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸሙ እዩ ዝኸስስ። ይኹን እምበር ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ በቲ \"ዘይሕጋውን፡ መሰረት ዘይብሉ ክስን ጸለመን\" ዝበሎ ተግባር ኣመሪካ ከም ዝጎሃየን ከም ዝነጽጎን ኣፍሊጡ’ሎ። ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት’ከ እንታይ ይብሉ? መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብ9 ግንቦት 2016፡ ኣብ ዝተኻየደ መበል 32 ኣኼባኡ፡ ኣቓልቦ ቤት ምኽሪ ዝሓትት’ዩ ኣብ ዝበሎ ጸብጻብ ኮምሽን ምጽራይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ‘’ኣብ ኤርትራ፡ ኣብተን ብላዕለዎት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ዝመሓደራ ኣስታት 300 ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ሲስተማቲክ\/ ሜላዊ፡ ሰፊሕን ጉሉሕን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፣ ገበናት ባርነት፣ ጃምላዊ ማእሰርቲ፣ ግዱድ ምስዋር፣ ምስቓይን ምህዳንን፣ ጾታዊ ዓመጽን መቕተልትን’’ ዝኣመሰለ ተግባራት ከምዝተፈጸመ ገሊጹ ነይሩ። እንተኾነ፡ መንግስቲ ኤርትራ ሽዑን ድሕሪኡን እቲ ጸብጻብ “ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ፤ ኣብ ጭቡጥ ሓቅታት ዘይተመርኮሰ፤ ኣብ ስደት ካብ ዝነብሩ ንመንግስቲ ከጸልሙ ካብ ዝተዓጥቁ ሓተትቲ ዑቕባ ዝተኣኻኸበ ጸለመ እዩ” ክብል እዩ ዝነጽጎ። ኣብተን ኣብ ትሕቲ ጀነራል ፊሊጶስ ዝመሓደራ፡ ካብ ዝነኣሰ ክሳብ ዝዓበየ ጉዳያትን በደላትን ዝርእያ ከም ዓዲ ኣብየቶ፣ ማይ ስርዋ፣ ማይ ሑጻን ካልኦትን ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ብልሽውናን ከምዘጋጥም ግዳያት እተን ኣብያተ ማእሰርቲ ይገልጹ። ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ምስመጽአ ጀነራል ፍሊጶስ ዝርከቦም ተሓታትነቶም ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝኾነ ሓይሊ ዕማም ዝተሰምዩ ጉጅለ ንኤርትራ ዘመሓድሩዋ ከምዘለው ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተልዎ ሰባት ይሕብሩ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58352961"} {"headline":"ኤርትራ፡ \"ዓዲ ክንሃንጽ ኣይኮንነን ነቲ ዝነበረ'ውን ክንዕቅቦ ኣይከኣልናን\" ዶክተር ተስፋማርያም","content":"ዶክተር ተስፋማርያም መሓሪ፡ ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ድሕሪ ምምረቕ፡ ካብ 1988 ክሳብ 1992 ንኣርባዕተ ዓመት ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ከም መምህር ናይ ስነ-ቁጠባ ኮይኑ ሰሪሑ። ኣብ 1993 ሓደ ዓመት ንሃገሩ ድሕሪ ምግልጋል ናይ ትምህርቲ ዕድል ረኺቡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብምኻድ 'ብማክሮ ኢኮኖሚከልስ ካልኣይ ዲግሪ ሒዙ፡ ነዚ ስዒቡ ኣብ 1998 ምስ ምጅማር ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ሊቨርፑል ብዶክትረይት ተመሪቑ። \"መጽናዕታዊ ጽሑፈይ ቁጠባዊ ሕብረት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ'ዩ ዝብል ነይሩ\" ዝብል ዶክተር ተስፋማርያም መሓሪ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ኖቲንግሃም፡ ሊቨርፑል፡ ሎንዶን ግሪንዊች ከም መምህር ኮይኑ ዝሰርሐ ኮይኑ፡ ኣብቲ ንሱ ዝምህረሉ ዘሎ ዩኒቨርስቲ ሎንዶን፡ ዳይረክተር ዓለምለኻዊ ሽርክና ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ። ብምኽንያት መበል 30 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ኣመልኪትና ንቁጠባዊ ኩነታት ኤርትራ ኣመልኪቱ ምስ ዶክተር ተስፋማርያም መሓሪ ዝገበርናዩ ቃለ መሕተት ይስዕብ። ቢቢሲ፡ ቁጠባ ሓንቲ ሃገር ዱልዱሉን ድኹምን ንክብሃል እንታይ ረቋሒታት ኣብ ግምት ኣትዩ'ዩ ሚዛን ዝውሃቦ? ኣብዚ ረቋሒ እዚ ተሞርኲስና ቁጠባ ኤርትራ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣሎ ክንብል ንኽእል? ዶክተር ተስፋማርያም፡ ቁጠባ ናይ ሓንቲ ሃገር ምዕቡል ወይ ድኹም ንኽንብሎ፡ ምስ ምምዕባለ ብቐጥታ ዝተኣሳሰር እዩ፡ ስለዚ ሓንቲ ሃገር ምዕብልቲ እያ ክንብል እንተኾይንና በቲ ዝቀለለ መንገዲ ንምግላጹ፡ ሓንቲ ሃገር ማዕረ ክንደይ ንዜጋታት ውሕስነትን ምርጫ ትህብ ብዝብል እዩ ዝግለጽ። ቁጠባ ናይ ሓንቲ ሃገር ውሕስነት ናይ መግቢ ይህብዶ? ውሕስነት ናይ ህይወት ይህብዶ? ዝብል ረቋሒታት እቲ ዝተሓተ ኮይኑ ከምኡ እናበለ ቀረባት ሕክምና፡ ትምህርቲ፡ ትሕተ ቅርጺ እናበለ ይዓቢ፡ ብሓፈሻ ግን ሓንቲ ሃገር ምዕብልቲ ንኽንብላ በቲ ንሳ ንዜጋታታ ትህቦ ምርጫ እዩ ዝምርኮስ። ኣብዚ ተሞርኵስና ቁጠባዊ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣሎ ክንብል እንተኾይንና፡ ኣብ ኤርትራ ህዝቢ ዝበልዖ፡ ዝሰትዮ፡ ዝንቀሳቐሶ ይመርጽዶ ወይ ከም ምርጭኡ ይኸውንዶ እንተኢልና 'ኣይፋል' እዩ እቲ መልሲ። ቢቢሲ፡ ቁጠባ ሃገራት ክግለጽ እንከሎ፡ ዓመታዊ ጃምላዊ እቶት ወይ GDP ዝብል ቃል ብተደጋጋሚ ክጥቀስ ይስማዕ እዩ፡ቅልል ብዝበለ መንገዲ ጂዲፒ እንታይ እዩ? ዶክተር ተስፋማርያም፡ ጂዲፒ ወይ ዓመታዊዊ ጃምላዊ እቶት ወይ ፍርያት ክንደይ እዩ ተባሂሉ ንብዝሒ ህዝቢ ናይታ ሃገር ምስ ተመቐለ እቶት ብነብሲ ወከፍ ዜጋኣ ይፍለጥ ማለት እዩ። ሓደ ሓረስታይ ዓመት ሓሪሱ ዘእትዎ ፍርያ ንገሊኡ ንሱ ምስ ስድርኡ ኮይኑ ክበልዖ'ዩ፡ ገሊኡ ኸኣ ናብ ዕዳጋ ብምኻድ ሸይጡ እቲ ኣብ ግራቱ ከፍርዩ ዘይክኣለ ክሽምተሉ እዩ፡ ናይ ሃገር'ውን ብተመሳሳሊ በዚ ክርአ ይክኣል እዩ። ቢቢሲ፡ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራትከ ቁጠበኣን ኣብ ምንታይ እንተተሞርኮሰ እዩ ዕዉት ኮይኑ ክወጽእ ዝኽእል? ዶክተር ተስፋማርያም፡ ምስኣ ኣቐዲምና ኣልዒልናያ ዝነበርና ኣተሓሒዘ ክምልሳ፡ ቁጠባ ሓንቲ ሃገር በቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፈሪ ክልካዕ ይክኣል እዩ። ካልእ መለክዒ ኸኣ GNP ዝብል ኣምር'ውን እቲ ካልእ መግለጺ ኮይኑ እዚ ሓንቲ ሃገር ብናታ ጸጋታት ኣብ ምሉእ ዓለም ዝፈሪ እቶት ዝልክዓሉ እዩ። ዋላ እኳ ብምርጭኡ ኣይኹን፡ ኤርትራዊ ኣብ መላእ ዓለም'ዩ ፋሕ ኢሉ ዝርከብ፡ ስለዚ እቲ ኤርትራዊ ኣብ ፈቀዶ ሃገራት ኮይኑ ዘፍርዪ ዘሎ ፍርያት እንተርኢናዩ ሓደ ስእሊ ክህበና ይኽእል። ኣብ ኤርትራ እቲ ካብ ደገ ናብ ስድራ ዝስደድ ሰልዲ (ረሚታንስ) ምስቲ ኣብ ሃገር ዝፈሪ ተሓዊሱ እዩ ዓመታዊ ፍርያት ናይታ ሃገር ክልካዕ ዝከኣል፡ ካብዚ ብምብጋስ ዝዓበየ ክፋል ቁጠባ ኤርትራ ኣብ 'ረሚታንስ' ዝተጸገዐ ምዃኑ ክንርዳእ ይክኣል እዩ። ቢቢሲ፡ ኤርትራ ካልእ ቁጠባዊ ሕርያ ስለዝተሰኣነ ድያ ኣብ 'ረሚታንስ' ተሞርኵሳ ዶ ዋላስ ዘይተመዝመዘን ዘይተሰርሐን ስለዘሎ እዩ? ዶክተር ተስፋማርያም፡ ከም ግቡእ ድልዱል ቁጠባ ክትሃንጽ እነተኾይንካ እቲ ዝዓበየ ክፋሉ ኣብ ሃገር ምስ ዝፈሪ እዩ፡ ንኣብነት ኣነ ካብዚ ዝሰዶ ሰልዲ ኣብ ሰናይ ፍቃድ ናይታ ኣነ ዝነብራ ሃገር እዩ ዝምርኮስ። ብወገን ኤርትራ'ውን እቲ ናቅፋ ኣብ ኢዱ ስለዝኾነ መጠነ ሸርፊ ከምድላዩ ክገብሮ ይክእል እዩ. ኣብ ውሽጢ ሃገር ማሕለኻታት ዝበዝሖ ቁጠባዊ ስርዓት ስለዘሎ ግን እቲ ንቁጠባ ክቅልስ ዝግብኦ ኣውፋሪ ኮነ ህዝቢ ተሓሊኹ እዩ። ቢቢሲ፡ ብዙሓት ሃገራት ንባሕራዊ ትሕዝቶን ወደብን ከም ዓንዲ ሕቖ ቁጠበኣን ገይረን ክሰርዐኦ ይርኣያ እየን? ኤርትራ ንዓቕሚ ወደባታ ኣብ ዝሓለፈ ሰላሳ ዓመታት ናጽነት መዝሚዛቶዶ ትብል? ብሕጂኸ እንታይ ክግበር ይከኣል? ዶክተር ተስፋማርያም፡ ሕማቅ ዕድል ኮይኑ ኤርትራ ምስቲ ናጽነታ ጸጋታታ ክትረብሓሉ ዘይክኣለት ሃገር እያ፡ ቁጠባ ኤርትራ ካብ ባሕርና ብመንግዲ ወደባዊ ኣገልግሎት፣ ቱሪዚም፣ ባሕራዊ ትሕዝቶን [ዓሳን ክልእን] ክንረብሕ ንኽእል ነይርና ኢና፡ እንተኾነ እዚ ክግብር ኣይተኸኣለን። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ኸኣ ፖሎቲካና ስለዘይተዓራረየ'ዩ፡ ምስ ጎረባብትና'ውን ኣብ ረጽሚ ስለዝኣተና ብጀካ እተን ድሕሪ ናጽነት ዝነበራ ሽዱሽተ ሸውዓተ ዓመት ዝተረፈ ዝባኸነ ግዜ ኮይኑ'ዩ ሓሊፉ። ነቲ ባሕርና ንኽንጥቀመሉ ኣብ ኤርትራ ብዝምዕብል ኢንዱስትርያዊ ፍርያት ንኤርትራ ዓባይ ዕዳጋ ምግባራ ይከኣል ነይሩ። ኣይተገበረን። ካልኣይ ኤርትራ ንኢትጵያን ብፍላይ ሰሜናዊ ክፋል፡ ንደቡባዊ ምብራቃውን ሱዳን ቀንዲ ውሃቢት ኣገልግሎት ወደብ ኮይና ኣፍደግኤን ክትከውን ትኽእል ነይራ'ያ እዚ'ውን ኣይተገበረን። ስለዚ ብሕጂ'ውን እዚ እንተተገይሩ'ዩ ኤርትራ ካብ ባሕራዊ ትሕዝቶን ካብ ወደባታን ክትከስብ ትኽእል። ቢቢሲ፡ ኣብ ዓለም ካብ ናይ ወደብ ኣግልግሎት ብዝረኽብኦ ኣታዊታት ቁጠበኣን ዝሃነጻ ሃገራት ብዓል መን ከም ኣብነት ክንጠቅስ ንኽእል? ዶክተር ተስፋማርያም፡ ብዙሓት ክጥቀስ ይከኣል እዩ፡ ምዕባለ ሲንጋፖር ሓደ ካብኡ'ዩ፡ ዱባይ'ውን ብተመሳሳሊ ወደባታ'ዩ ናብ ትሩዚም ኣምሪሕዋ። ሰብ ሰልዲ ኣብታ ሃገር ከይዶም ከምዝሕሽሹ ገይራቶም ዘላ። ጁቡትን ግብጽን'ውን ካብ ጎረባብትና ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። ቢቢሲ፡ ኤርትራ ዘለዋ ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣን ከምቲ ዝገዝእዋ ዝነበሩ ሓይልታት ገይሮም ዝኸሰብሉ ኣይረበሐትሉን ይብሃል እዩ? ብሓቂ ኤርትራ ዘለዋ ስትራተጂካዊ ኣቐማምጣ ብዓይኒ ቁጠባ ተባሃጊ ድዩ? ዶክተር ተስፋማርያም፡ ኣዝዩ! እዚ ባሕሪ እዚ መሰረት ምዕባለ ናይ ህዝቢ እዚ ከባቢ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። እቲ ቅድሚ ሃገራት ምምስራተን ዝነበረ ኣኩሱማዊ ምዕባለ ከምኡ'ውን ናይ ኣዶሊስ ምዕባለ፡ ቁጠብኡን ንግዳዊ ነጥፈታቱን ኣብ ባሕሪ ዝተመርኮሰ'ዩ ነይሩ። እዚ ቅድሚ 1500 ዓመታትን ቅድሚኡን ዝነበረ እዩ። እቲ ቀደም ኣበርክትኡ ተፈሊጡ ኣብ ረብሓ ዝወዓለ ባሕሪ'ዩ ኣብዚ ዘበናዊ ግዜ ቃዲሩ ዘሎ። ባጽዕ ልክዕ ክምዚ ሕጂ ዱባይ ኢልና ንጠቅሳ ዘለና፡ ኣብዚ ዞባ ኣዝያ ጽልዋ ዝነበራ ወደብ እያ ነይራ። እዚ መስመር እዚ ንገዚፍ ቁጠባ ኤስያን ኣውሮጳን ዘራኽብ መስመር እዩ፤ ስትራተጂካዊ ከም ምዃኑ መጠን ጠመቲ'ውን ክብዝሕዎ ንቡር እዩ። ስለዚ ንኹሉ ነዚ ዝቅልስ ዓለም ኣብቲ መስመር ናይ ቀይሕ ባሕሪ ውሕስነት ዝህባ ሓደ ጽፉፍ ፖሎቲካዊ ኣካይዳ ክህልወና የድሊ። ቢቢሲ፡ ኤርትራ ነቲ 'ኢንትርናሽናል ዋተር ላይን' ከተማሓድሮ ወይ ጸጥትኡ ከተውሕስ የጸግማ ድዩ'ሞ? ዶክተር ተስፋማርያም፡ ከተማሓድሮ ኣይትክእልን እያ። ከተማሓድሮ'ውን ኣይግብኣን'ዩ፡ ዓለምለኻዊ መንገዲ እዩ። ኒል [ናይል] ከም ኣብነት ክንወስድ ንኽእል ኢና። ካብ ኢትዮጵያን ካብ ብዓል ኡጓንዳን'ዩ ዝብገስ፡ ኢትዮጵያ ይኹን ኡጓንዳ ኣብ ውሽጢ ዓደን ኮይነን ዝገብርኦ ነገራት ንግብጺ ዘይክምልከታ ይኽእል እዩ፡ ንዓኣ ብመንግዲ እቲ ንሳ ትምርኮሰሉ ፈለግ ኒል ዝጸልዋ እንተኾይኑ ግን ግድን'ዩ ክምልከታ፡ እዚ ናይ ባሕሪ ጉዳይ'ውን ብኸምኡ መልክዕ ንርኣዩ። ቢቢሲ፡ ልዕሊ 100 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ጎሮቤት ኤርትራ ዝኾነት ኢትዮጵያ ወደብ ኣልቦ ከም ምዃና መጠን ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ካብ ቀረብ ኣገልግሎት ወደብ ክትከስቦ ትኽእል ዝነበረት ኣታዊታት ክትመን ይክኣልዶ? ዶክተር ተስፋማርያም፡ ሓደ እዋን [ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር] መለስ ዜናዊ ኣብ ኣመሪካ ከይዱ ምስ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ \"ንምንታይ ኢና ወደብ ዓሰብ ዘይንጥቀም?\" ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ ንሱ ምስቲ ዝነበረ ኵናት ብምዝማድ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ገንዘብ እዩ ዘድልዩ፡ መታን ገንዘብ ከይረክብ ኸኣ ጅቡቲ ንጥቀም ኣለና ዝብል መልሲ እዩ ሂቡ። እዝን ክምዚ ዝኣመሰለን ኣሉታዊ ፖሎቲካ እዩ ጸኒሑ። ንወደብ ቀንዲ ጎሮሮ ህዝቢ፡ መስመር ምዕባለ እዩ ኢልካ ምግላጽ፡ ዕብላለኻ ንምርኣይን መፍደዩ ሕነን ገይርካ ትሓስቦ እንተኾይንካ፡ ንኹልኻ ዘብርስ እዩ። ብኣሃዝ እኳ ክንድዚ ኢልካ ምግላጹ ዘጸግም እንተኾነ ክልቲኤን ሃገራት ቢልዩናት ዶላራት እየን ከሲረን። እዚ በቲ ወደባዊ ኣግልግሎት ጥራይ ሓጺርና ከይርኣና፡ እቲ ወደብ እንተዝሰርሕ ነይሩ ከምጽኦ ዝኽእል ዝነበረ ቁጠባዊ ምዕባለን፡ ሰብ ኣታዊታት እናወሰኸ ክኸይድ እንከሎ መንግስቲ ክረኽቦ ዝኽእል ዝነበረ ኣታውን እንተወሲኽካሉ ኸኣ እቲ ዝተኸሰረ ዕድላት ክሳብ ክንደይ ዓቢ ምዃኑ ይበርሃልካ። ቢቢሲ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ ኢትዮጵያ ቁጠባዊ ሕብረት ዝብሃል ሓሳባት ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ምሁራት ኢትዮጵያውያንን ብተደጋጋሚ ክዝረብ ይስማዕ እዩ፤ እዚ ንኤርትራ የርባሓዶ ዋላስ ናብቲ ናይ ሓምሳታት ዝነበረ ፈደሬሽን ክመልሳ ይኽእል? እዚ ዝብለሉ ዘለኹ በዚ መልክዕ ዝጥምትዎ ብዙሓት ሰባት ስለዘለዉ'የ። ዶክተር ተስፋማርያም፡ ፖሎቲካን ቁጠባዊ ረብሓን ዝመላላእ እኳ እንተኾነ ፈላሊና ምርኣይ ከድልየና እዩ። ቁጠባዊ ሕብረት ክብሃል እንከሎ ሓደ ዘይነበረ ሕጂ ዝፍጠር ዘሎ የስምዕ እንተኾነ ቁጠባና ካብ ቀደም ሕቡር እዩ። ዋላ ቅድሚ ጣልያን ምምጽኡ'ውን ሓደ ቁጠባ ዝነበሮ ህዝቢ እዩ። ብሃይማኖት፡ ብቁጠባ፡ ብማሕበራዊ ኣነባብራን ብጥንታዊ ምዕባለን ብዙሕ ሕብረት ዝነበሮ ከባቢ እዩ። ኣነ ብውልቀይ፡ ኣይኮነንዶ ቁጠባ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብኡ ንላዕሊ እንተሰፈሐ'ውን ደጋፊኡ እየ። እንተኾነ ምስ ጎረባብቲ ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ሽርክነት መራሕቲ ስለዝተሰማምዑ ወይ ስለዝተዓራረኹ ዘይኮነ ብድሌት ህዝቢ፡ ንዕኡ ዝውክል ሃገራዊ ባይቶን ንኹሉ ዘማእክል ቅዋምን እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ እዚ እቲ ቀንዲ ነጥቢ እዩ። እዚ ከይተማለአ ዝግበር ነገራት ግን ኣቐዲምና ውጽኢት ከምዘየምጽእ ተመክሮ ስለዘለና ካብኡ ክንምሃር ይግባእ። ናብ ሓደ ቁጠባዊ ውህደት ክትኣቱ እንተኮይንካ፡ እቲ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝግበር ፖሊሲ ነተን ካልኦት ምሳኻ ኣብ ቁጠባዊ ሸርክና ዝኣተዋ ሃገራት ክጸልወን'ዩ። ስለዚ ፖሊሲ ክትነድፍ እንከለኻ ነተን መሻርኽትኻ ሃገራት ኣብ ግምት ብምእታው ኢኻ ትነድፎ ስለዝኾነ ኸኣ'ዩ ቁጠባዊ ውህደት ምሽራኽ ልኡላውነት (Sharing of sovereignity) ተባሂሉ ዝግለጽ። ናጻ ምልውዋጥ ዕዳጋ ክህልወካ እንተኾይኑ እንታይ ዓይነት መጠን ሸርፊ እዩ ክህልወካ ሓባራዊ ምርድዳእ ክህልወካ የድሊ እዩ፡ ኣይኮነን ግን ኣብታ ሓንቲ ኣዝዩ ክቡር ኣብታ ሓንቲ ኸኣ ኣዝዩ ሕሱር እንተኾይኑ ንዕሩይ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚ ሃገራት ኣውሮጳ ዝወሰነኦ ሓደ ዓይነት ባጤራ ክህልወካ ምውሳን ኸኣ ሓደ ኣማራጺ ኮይኑ ክውሰድ ይከኣል እዩ። ቢቢሲ፡ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃን ሃገራት ምዕራብን ፋሕ ኢሎም እዮም ወፍሪ ኣብ ምክያድ ዝርከቡ፡ እዚ ጸጋ ንዋትን ዓቕሚ ሰብን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮይኑ ከይሰርሕ ዝዓግቶ ነገር እንታይ እዩ ? ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ንኸውፍርከ መንግስቲ እንታይ'ዩ ክገብር ዘለዎ? ዶክተር ተስፋማርያም፡ እዛ ሕቶ እዚኣ ዝኾነ ኤርትራዊ ክምልሳ ዝኽእል ሕቶ እያ፡ ፖሎቲካና ስለዝተዘረገ እዩ። ኣብ ኤርትራ ኣይኮነን ከነውፍር ረጊእና ክንነብር'ውን ዕድል ኣይረኸብናን። ብኽንደይ መስዋእቲ ዝተረኸበ ናጽነት ኤርትራ ዝሓሸ ራህዋ፡ ዝሓሸ ቅሳነት ዝሓሸ ምዕባለ ከምጽእ እዩ ነይሩ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ዘጋጠመና ግን ተገላቢጦሽ'ዩ። ኤርትራዊ ንውሕስነት ናይ ህይወቱ ምርግጋጽ ስኢኑ፡ ኤርትራዊ ናብታ ዓደይ ዝብላ ሃገሩ ንምኻድ ዓሰርተ ግዜ ዝሓስበሉን ነግ ፈረግ ዝብልን ሰብ ኮይኑ። ካብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት እቲ ዝገዘፈ ክፋሉ ናይ ራዕዲ እዋን እዩ ኮይኑ ሓሊፉ። ውሕስነት ናይ ህይወት ኣብ ዘይብላ ሃገር ውሕስነት ናይ ወፍሪ ክትረክብ ኸኣ ዘይሕሰብ እዩ። ብሰንኪ እዚ ብዙሓት ሰብ ርእሰ-ማል ካብ ሃገር ወጺኦም ኣብ ካልኦት ሃገራት ወፍሪ ከካይዱ ተገዲዶም። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ እቲ ኣብ ዓደይ ወፍሪ ከካይድ እየ ኢሉ ዘለዎ ጠቕሊሉ ናብ ኤርትራ ዝኸደ ከሲሩ ጥራይ ኢዱ እዩ ተመሊሱ። እቲ ኣብ ማላእ ዓለም ፋሕ ኢሉ ዘሎ ኤርትራዊ ዘሳልጦ ዘሎ ስራሕ ርኢኻ ትሕጎስ፡ ኣብ ውሽጢ ህዝቡን ሃገሩን ዘይምዃኑ ምስ ዘከርካ ኸኣ እቲ ዝተኸሰረ ዕድላት ዝያዳ የሕምመካ። ጣልያን ንኣስመራ ከተማዊ ቅርጺ ኣትሒዙ፡ ካብ ባጽዕ ኣስመራን ካልእን ዝተዘርገሐ ጽርግያታት፡ ገለራይታት ዘለዎ መንግዲ ባቡር ኣብ 30 ዓመታት ዘይመልእ ግዜ እዩ ሃኒጽዋ። ናጽነትና 30 ዓመታት ገይሩ ኣሎ። ዓዲ ክንሃንጽ ኣይኮንናን ነቲ ዝነበረ'ውን ክንዕቅቦ ኣይከኣልናን። ብዙሕ ነገራት እዩ ተኸሲሩ ነዊሕ ግዜ እዩ ጠፊኡ። ሕጂ'ውን ቅዋምና እንተተኺሉ፡ ባይቶና እንተቆይሙ፡ ልዕልና ሕጊ እንተተኸቢሩ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ገደብ እንተተገይርሉ ዘይዕረ ነገር የለን። ቢቢሲ፡ ኣብ መወዳእታ ክትብሎ ትደሎ ነገር እንተሃልዩ ዶክተር ተስፋማርያም ዶክተር ተስፋማርያም መሓሪ፡ 30 ዓመታት ነዊሕ ግዜ እዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ስሩዕን ምዕቡልን ናይ ገዛእ ርእሱ ሕግታታት ዝነበሮ ህዝቢ እዩ። እዚ ህዝቢ እዚ ብቀደሙ ዲሞክራስያዊ ዝነበረ ህዝቢ እዩ፡ ብዘይ ፖሊስን መንግስትን ክነብር ዝኽእል ህዝቢ እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ግን ኤርትራዊ ንኤርትራዊ ዝፈርሓሉ፡ ኤርትራዊ ኵሊቱ ዝተሸጠሉ ኣብ ባሕሪ ዝጠለቐሉ ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ፋሕ ዝበለሉ ግዜ እዩ ኮይኑ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነዚ መበል 30 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ከም ዕድል ተጠቒሙ ንህዘቡ ኤርትራ ክድብሶ ኣለዎ ይብል። እታ ደብስ ኸኣ ምሕረት ምእዋጅ እያ። ቢቢሲ፡ የቐንየልና ዶክተር","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57216996"} {"headline":"ላዕለዋይ ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ ብዛዕባ ኲናት ትግራይ እንታይ ኢሉ?","content":"ላዕለዋይ ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቴዎስ፡ ብዛዕባ እቲ ብዙሕ ሰብ ዝቐዘፈ ኲናት ሓይልታት መንግስቲ ፈደራልን ሓልታት ትግራይን፡ ከምኡ'ውን ሓደጋ ዓጸቦን ምስ ቢቢሲ ስፍሕ ዝበለ ቃለ-መሕተት ኣካይዱ'ሎ። ኣኽባር ሕጊ ጌድዮን፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት፡ በቲ ኖቤል ሰላም ዝተዓወተ ቀዳማይ ሚኒስተር መንግስቲ ኢትዮጵያ - ዶ\/ር. ኣቢዪ ኣሕመድ ተመዚዙ'ዩ ነቲ ሓላፍነት ተቐቢሉዎ። ኣብቲ እዋን'ቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ከም ሰላም፣ ሃገራዊ ልዝብን ምዕባለን ዝኣመሰሉ ብዙሕ ተስፋ ዝህቡ መብጽዓታት ሒዙ ከም ዝተበገሰ ዝዝከር'ዩ። እንተ ሕጂ ግን እቶም ናይ ሽዑ ኣጀንዳታት፡ ኣውራ በቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ዉሽጣዊ ጎንጺ - ተዓብሊሉ ይርከብ፡ ኣብ እዋኑ ኸኣ ደዉ ክብል እንተዘይክኢሉ ንሓድነት ኢትዮጵያ ዝፈታተን'ዩ። ውጽኢት እዚ ጎንጺ፡ ኣሰቃቒ ኵነታት ኣብ ትግራይ ብምፍጣሩ ናብ ጐረባብቲ ክልላት - ኣምሓራን ዓፋርን - ልሒሙ ይርከብ። ብሰንኪ እቲ ግጭት ኣሽሓት ሰባት ከም ዝተቐትሉ፡ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ከም ዝተፈጸመ ጸብጻባት ቀሪቦም'ዮም። እቲ ጎንጺ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ንጥሜት ኣቃሊዑ ይርከብ። እቲ ምስ ኣኽባሪ ሕጊ ኢትዮጵያ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ ዝተገብረ ቃለ መሕትት እነሆ። -------------- ስቲቭን ሳከር፡ ቅድሚ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣነን ንስኻን ኣብ ዝተዛረብናሉ ጊዜ ንስኻ ብርእሰ-ተኣማምነት ሓይልታት ፈዴራል ንሓይልታት ህ.ወ.ሓ.ት. ክድምስሱ'ዮም ኢልካ ኔርካ። ናይ መንግስቲ ፈዴራል ስትራተጂ ከም ዝፈሸለ ሕጂ ትቅበሎ'ዶ? ጌዲዮን ጢሞቴዎስ፡ ከምቲ ሽዑ ዝበልኩዎ፡ ኣብቲ እዋን'ቲ ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ ሰሙን ንመቐለ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽርና ከም ዘእተናያ፡ ነቲ ፈለማይ መድረኽ ዕማምና ከም ዘማላእና፡ ግዝያዊ መንግስቲ ከም ዘቋቘምና፡ ንትግራይ ናብቲ ዝነበረቶ ንምምላስ ገንዘብ ከም ዘዋፈርና፡ ነቲ ኣብ ልዕሌና ዝወረደ ኣደራዕ (ግጭት) ክንምክቶ ከም ዝኸኣልና፡ እቲ ግጭት ከኣ ብድሌትና ዝኣቶናዮ ከም ዘይነበረ ምርዳእ የድሊ። ነቲ ሽዑ ዝተፈጥረ ኵነታት ብኸምኡ ኢና ንርእዮ። ስቲቭን ሳከር፡ ሕቶይ ኣይመለስካዮን። ርግጽ'ዩ ንመቐለ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽርኩም ኣእቲኹማ ኔርኩም። ብድሕሪኡ ግን እቲ ኵነታት ተለዊጡ'ዩ፣ ሓይልታቱም ካብ ሰነ ንነጀው ካብ መቐለ ከም ዝወጹ ተገይሩ። ሓይልታት ህ.ወ.ሓ.ት. ካብ መብዝሕትኡ መሬት ትግራይ ንዓኻትኩም ኣውጺኦም ኣብ ቍጽጽሮም ከም ዝኣቱ ገይሮም'ዮም፣ ካብኡ ሓሊፎም'ውን ኣብ ጐረባብቲ ክልላት ደፊኦም ብምእታው ንመሬት ኣምሓራን ዓፈርን ኣትዮም'ዮም። ስለዚ ኣበይ ኢኹም ተጋጊኹም? ጌዲዮን ጢሞቴዎስ፡ ኣብ መቐለ ዝነበርናሉ እዋን እቲ ብዛዕባ ሰብኣዊ መእቶታት፡ ሰብኣዊ ኵነታት ህዝቢ ይልዓሉ ስለ ዝነበሩ ነቲ ኵነታት ንክምሓየሽ ኣገዲሱና'ዩ። ኣብ ልዕሊኡ፡ ህ.ወ.ሓ.ት. ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ማዕበል ድሕሪ ማዕበል ሲቪላውያን መንእሰያት ኣንጻር ሓይልታትና የዋፍሩ ስለ ዝነበሩ፡ ዓቕሚ-ኣዳም ዘይበጽሑ መንእሰያት፡ ንሕና ነቲ ኵነታት ስቅያትን ንከነዝሕል ብሓላፍነት ንዝምልከቱና ስጕምትታት ወሲድና። ኵይኑ ድማ ሓደ-ዝሸነኹ ምቑራጽ ተዅሲ ኣዊጅና፣ ሓይልታትና ኸኣ ካብ መቐለ ሰሓብና። ዘሕዝን'ዩ፡ ህ.ወ.ሓ.ት. ግን መጥቃዕትን ህውከትን ቀጺሉ፣ ነቲ ግጭት ከኣ መሊሱ ብምዕራግ ናብ ዓፋርን ኣምሓራን ከም ዝልሕም ገይሩ። ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ሰባት ከኣ ግዙፍ ግፍዒ የውርዱ ኣሎዉ። ስቲቭን ሳከር፡ ነቲ \"ግዙፍ ግፍዒ የውርዱ ኣሎዉ\" ዝብል ክሲ ክንምለሶ ኢና። ብዛዕባ ሰብኣዊ ኵነታት ክትዛረብሲ ኣነ ክሳብ ሎሚ ክርድኣኒ ዘይኽእል ጕዳይ'ሎ፣ ንምንታይ መንግስቲ ፈዴራል ክስብ ሎሚ ነቲ ክዋፈር ዝግብኦ ረዲኤት ኣብ ምኽልካል ይዋሳእ ኣሎ? መንግስቲ ፈደራል ኣብ ክርደና (ከበባ) ትግራይ፡ ማለት ኣብ ዕግታ ኣድለይቲ ነገራት ተዋፊሩ ይርከብ - ኤለክትሪክ፡ ስርሓት-ባንካ፡ መስመር ርክባት፡ ፋይናንሳያዊ ኣገልግሎት- ብዙሓት ናይ ሕቡራት መንግስትታትን ትካላትን ማሕበራት ረዲኤትን ንብኣማኢት-ኣሽሓት፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ጸገም ኣእትዩ ከም ዘሎ ይንገር። ጌዲዮን ጢሞቴዎስ፡ እቲ ንሰብኣዊ ኵነታት ዝምልከት ሓደ-ዝሸነኹ ምቑራጽ ተዅሲ ምስ ኣወጅና ብዓፋር ኣቢልና መተሓላለፊታት ፈጢርና ኢና። ህ.ወ.ሓ.ት. ግን ነቶም መተሓላለፊታት ነቲ ግጭት ንከረሳስን ተጠቒሙሎም'ዩ። ስቲቭን ሳከር፡ ኣቶ ኣኽባር ሕጊ፡ ንምንታይ ነቲ ዕግታ (ከበባ) ዘይተልዕልዎ? ጌዲዮን ጢሞቴዎስ፡ ከም ዝበልኩኻ ንሕና መተሓላለፊታት ፈጢርና ኢና። ብዛዕባ ካልኦት ኣገልግሎታት ብዘርኢ ጕዳይ፡ ነቲ ኣገልግሎት ከዐርዩ ዝኽእሉ ኩባንያታት ድርጅታት ኣብ ዉሽጢ ትግራይ ኣለዉ፣ ብዙሓት ሰራሕተኛታቶም ኣብ ትግራይ ተቐቲሎም'ዮም፣ ግደ-መጥቃዕቲ ኰይኖም'ዮም። እቲ ኵነታት ከም ዘሎዎ - ብመጥቃዕትታ ህ.ወ.ሓ.ት. ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት እናቐጸለ እቲ ስራሕ ክስራሕ ኣይከኣልን። ህ.ወ.ሓ.ት. ነቲ ዘቕረብናዮ ምቑራጽ ተዅሲ እንተ ዝቕበልዎ ነይሮም እቲ ኵነታት ምስ ተለወጠ ነይሩ። ስቲቭን ሳከር፡ ተኸታተልቲ'ዚ መደብ'ዚ ነዞም እንዛረበሎም ዘሎና ዛዕባታት ንኽርድኦም ከሸግሮም'ዩ። ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ብኣማኢት-ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ዓጸቦ ከንጸላልዎም፡ ብኣማኢት-ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ኣብ ካምቦታት ተዓቚቦም ይርከቡ፤ መንግስቲ ፈደራል ድማ ስርሓት ናይ ብዙሓት ወሃብቲ ሓገዝ፡ ከም በዓል \"ሓካይም ብዘይ ገደብ\" ከምኡ'ውን ናይ ቤት-ምኽሪ ዑቝበኛታት ኖርወይ (Norwegian Refugee Council) - ደው ኣቢሉ ይርከብ። ጌዲዮን ጢሞቴዎስ፡ ክርድኣካ ዘሎዎ ጕዳይ ኩሎም ማሕበራት ብሕግታት ሃገርና ክቕየዱ ይግባእ። ኣቐዲመ ከም ዝበልኩዎ፡ እቶም ዝበዝሑ ወሃብቲ ሓገዝ ይሰርሑ ኣለዉ፡ ሓገዝ የወፍዩ ኣለዉ። ስቲቭን ሳከር፡ እዘን ማሕበራት ትንፋስ ሰብ ንከድሕና ይጽዕራ ኣሎዋ፡እንተ ንስኻትኩም ከኣ ዓንቂፍኩመን። ጌዲዮን ጢሞቴዎስ፡ ኣይኰነን፡ እዘን ማሕበራት ሕግታትና ንከኽብራ ኢና ንደሊ። ብኣማኢት ዝቝጸራ ማሕበራት ኣብ ምሉእ ሃገር ክሰርሓ ንተሓባበር ኢና፡ ምስ'ዘን ዝሰመኻየን ማሕበራት ድማ ኣብ ዝርርብ ኣሎና። እቲ ዝጠሓስኦ ሕግታት ድማ ቀልጢፎም ከዐርያኦም ከም ዝኽእላ እኣምን'የ። ከምኡ ምስ ዝገብራ እቲ ዝተሓድገኦ ፍቓድ ክምለሰለን'ዩ። ስቲቭን ሳከር፡ ንስኻ ከም ኣኽባር ሕጊ መጠን፡ እቲ ብዩኒቨርሲቲ ገንት (በልጅዩም) ዝወጸ ጸብጻብ ኣንቢብካዮ'ዶ? እቲ ኣስማት ናይ ዝተቐትሉ ሰባት ዝሓዘ ረቂቕ ጸብጻብ - ሲቪላውያን ሰባት ኣብ ዝተኻየድ ግጭት ዝተቐትሉ - 2,562 ዝቝጽሮም ኣብ 232 ፍጻሜታት ዝተቐትሉ ሰባት ወጺኡ ኣሎ። እቶም ተመራመርቲ ጃምላዊ ቅትለት ኢሎም'ዮም ዝጽውዕዎ። ኣንቢብካዮ'ዶ ነቲ ጸብጻብ? ብዛዕባኡኸ እንታይ ገበርኩም? ጌዲዮን ጢሞቴዎስ፡ ከምዚኦም ዘኣመሰሉ ክስታት፡ ጸብጻባት ተጠንቂቕና ብተገዳስነት ኢና ንሕዞም። መርመራታት ነካይድ፡ ተሓታትነት'ውን ንምርምር ኢና። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንከምዚኦም ዘኣመሰሉ ገበናት ጨሪሱ ኣይጻወርን'ዩ፣ንህዝቢ ከም ዝሓበርናዮ፡ ብርክት ዝበሉ መርመራታት ኣካይድና ኢና። ብተውሳኺ ካልኦት ምርመራታት ይካየዱ ኣሎዉ - ብሲቪላዊ ይኹን ወትሃደራዊ መገድታት። ብከምዚኦም ዘኣመሰሉ ጸብጻባት እንረኽቦ ሓበሬታ፡ ዝእመኑ እንድሕሪ ኰይኖም፡ ገበነኛ ኰይኑ ንዝርከብ ሰብ፡ ስጕምቲ ንወስድ ኢና። ስቲቭን ሳከር፡ ኣምነስቲ-ኢንተርናሽናል ደጊሙ፡ እዚ ወርሒ'ዚ፡ ካብ 60 ዝኣኽሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዝኣከብዎ ሓበሬታ ተመርኲሱ፡ ሓደ ጸብጻብ ኣውጺኡ ኣሎ። እቲ ጸብጻብ፡ ኮነ ተባሂሉ ዝተፈጸመ ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ዘስካሕክሑ ግፍዓታት የርኢ። እዞም ግፍዕታት ብወተሃደራት ፈደራል ዝተፈጸሙ'ዮም። ብዛዕባ ፍትሕን ተሓታትነት ክትዛረብ እሰምዓካ ኣሎኹሞ በዚ ጕዳይ'ዚ እንታይ ገበርካ? ጌዲዮን ጢሞቴዎስ፡ መርመራታት ኣካይድና ኢና፣ ጌና ኸኣ ነካይድ ኣሎና። ብርክት ዝበሉ ወተሃደራትና ኣብ ወትሃደራዊ ቤት-ፍርዲ ቀሪቦም'ዮም። ከምዚኦም ዘኣመሰሉ ገበናት ኣብ ከይዲ ሕጊ ኣሎዉ፣ ኣቕሊልና'ውን ኣይንርእዮምን ኢና። ክሕበረካ ዘሎኒ ጕዳይ ግን ኣሎ፣ እዞም ዝጠቐስካዮም ጸብጻባት ብምግናን ዝቐረቡ፡ ንቐልቢ-ሰብ ብዝስሕብ ኣገባብ፡ ብኣልማማ ዝቐርቡ ኣለዉ። ስቲቭን ሳከር፡ መንግስቲ ነዞም ዝተመስረቱ ክስታት ብዕቱብ ወሲዱ ይሰርሓሎም ኣሎ ክትብል ንምእማኑ የሸግረኒ። ሓደ ናይ መንግስቲ ኣፈኛ፡ ነቲ ብኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝቐረበ ጸብጻብ ብፍጹም ምግናን'ዩ ቀሪቡ - ጠቐነን ንመንግስቲ ንምጥቃዕ ኢሉ ዝተጻሕፈ ጸብጻብ'ዩ ክብል ኣናኢስዎ። እንድሕሪ እዞም ክስታት ብዕቱብ ክምርመሩ እንተድኣ ተደልዩ - እተን ግዳያት ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ንመዓልታት ተዳጕነን፡ ገሊአን ብደይመደይ ክዕመጻ፡ ገሊአን ናብ ካልኦት ንኽዕመጻ ምትሕልላፍ፡ ገሊአን ኣብ ቅድሚ ደቀን ክዕመጻ፡ ንከምዚኦም ዘኣመሰሉ ገበናት ብዘይ ዕሽሽነት ምስ ዝውሰዱ ብዙሓት ኣባላት ሓይልታትኩም ኣብ ማሕቡስ ምኣተዉ ነይሮም። ጌዲዮን ጢሞቴዎስ፡ ከም ዝበልኩዎ ከምዚኦም ዘኣመሰሉ ክስታት\/ገበናት ኣቕሊልና ኣይንርእዮምን ኢና። ሕጂ'ውን ክደግሞ ንረኣዩለይ-ስምዑለይ ዝተጋነኑ ጸብጻባት ይቐርቡ'ዮም። መሰረት ኰነ መርትዖ ዘይብሎም ክስታት ይቐርቡ'ዮም። ይዅን'ምበር ነቶም ግዳያት ተገዲስና ንውከሶም ኢና። ክልተ ደርዘን ዝቝጽሮም ኣባላት ሓይልታትና ብመርትዖ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም'ዮም፡ዝግባእ መቕጻዕቲ ኸኣ ተበይንዎም'ዩ። ንሕልፈት ዝተፈርዱ'ውን ኣሎዉ። ስቲቭን ሳከር፡ ክንደይ ዝኣኽሉ? ጌዲዮን ጢሞቴዎስ፡ ልዕሊ ሰላሳ ዝዀኑ። ግብርና ምስክርና'ዩ። ብተወሳኺ ክሕብሮ ዝደሊ፡ ኣባላት ሓይልታትና ዲሲፕሊን ዘሎዎም ወትሃደራት'ዮም። ወትሃደራትና ናይ ነዊሕ እዋን ተሞክሮ ዘሎዎም፡ ኣብ ተልእኾ ዉድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተሳተፉ'ዮም። ኣብ ዉግእ ኮርያ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣፍሪቃ ተሳቲፎም'ዮም፡ መዛግብ ገናጺልካ ዝርከብ ሓበሬታ ኣሎ። ስቲቭን ሳከር፡ ኣይትሓዘለይ ክዀልፈካ ኣቶ ኣኽባር ሕጊ። እንድሕሪ ልዕሊ ሰላሳ ዝኣኽሉ ወትሃደራት ብኣስካሕካሒ ዝዀነ ገበናት፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ ገበነኛታት ኰይኖም እንድሕሪ ተረኺቦም ሓደ ዕሙቝ ዝበለ ጸገማት ከም ዘሎ የረድኣኒ። ክንደይ ክብ ዝበለ መዓርግ ዘሎዎም ሰባት በዚ (ዝጠቐስካለይ) ሰበብ'ዚ በቲ ወትሃደራቶም ዝገበርዎ ገበን ካብ ስርሖም ከም ዝእለዩ ተገይሩ? እዚ ገበን'ዚ ኮነ ኢልካ ከም ዝተኻየደ ናይ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣነጺሩ ኣቕሪቡዎ'ዩ። ጌዲዮን ጢሞቴዎስ፡ በቲ ዘቕረብዎ መደምደምታ ኣይሰማማዓሉን'የ። እቲ ዜቕረብዎ ጸብጻብ ካብ ርሑቕ ኰይኖም'ዮም መርመራ ኣካይዶም፣ ኣብ ብሰራሕተኛታት ማሕበረሰ ዝቐረበሎም ምስክርነት ዝተሞርኰሰ ድማ'ዩ። ንሕና ኣብ'ዞም ሰራሕተኛታት ምትእምማን የብልናን። ንሕና መርመራና ኣብቲ ቦታ ከድና ኢና እነካይዶ። መርመራና ምእንቲ ሓቅነቱ ክርአ ምስ ናይ ሕቡራት ሃገራት ማሕበራት ሓቢርና ኢና ኣካይድናዮ - ምስ ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን ኴንና። ሓደ ከምዚ ናትና ደረጃ ዝሓለወ መንግስቲ ጥራይ'ዩ ከምዚ ዝበለ መርመራ ከካይድ ዝኽእል። ስቲቭን ሳከር፡ ልክዕ ኣሎኻ እቲ ናይ ሓባር ምርምር ኣብ ቦትኡ ሃልዩ፤ሓላፊት ሰብኣዊ መሰላት ዉድብ ሕቡራት መንግስታት ግን፡ ነቲ ብኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝቐረበ ጸብጻብ ተገዲሳ ከም እትርእዮ'ያ ትምስክር። ካልእ ሽግር ኣሎ፡ ንስኻ ናይ ኢትዮጵያ ኣኽባር ሕጊ ኢኻ። ገለ ካብ'ቶም ሕ'ሉፋት ክስታት ብወትሃደራት ኤርትራ'ዮም ተፈጺሞም - መንግስትኹም ዓዲሙ ዘእተዎም ናይ ባዕዲ ሓይልታት። እቶም ገበናት ኣብ ዉሽጢ መሬት ኢትዮጵያ'ዩ ተኻይዱ። ንስኻ ከም ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ እብ ልዕሊኦም ፍትሕን ተሓታትነት ንምስንዛር ዋላሓንቲ ዓቕሚ የብልካን። ጌዲዮን ጢሞቴዎስ፡ መንነት ናይቲ ሰብ ብዘየገድስ፡ እንድሕሪ እቲ ሰብ ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ ኣህጕራዊ መስርሕን ፕሮቶኮላትን ስለ ዘሎዉ ምስ ጕረቤት ሃገር ብምትሕብባር ኣብ መስኖታት ሕጊ ዘሎዉ ጕዳያት ስለ ዘሎዉ ተቓዳዲምና ኣብ መደምደምታ ክንበጽሕ ኣይንደልን። ክብሎ ዝደሊ፡ ኣብ ተግባርናን እንወስዶም ስጕምትታትን ብምምርኳስ ኣብ ተሓታትነት ዘሎና እምነት ግልጺ'ዩ። እቲ ክእምቶ ዝደሊ ግን በቶም ሽበርተኛታት ህ.ወ.ሓ.ት. ዝተፈጸሙ ብዙሓት ዓመጻት ተጐስዮም ብምሕላፎም'ዩ ...ኣብ ልዕሊ ተራ ህዝቢ፡ ኣብ ልዕሊ ቈላዑ ዝተፈጸሙ ገበናት። እቶም ገበናት ብኣህጕራዊ ሕብረተሰብ ኰነ ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣይተዀነኑን። ስቲቭን ሳከር፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝጥቀመሉ ዘሎ ቋንቋ'ስከ ነስተብህል። ዝሓለፈ ወርሒ ንህ.ወ.ሓ.ት. ክገልጽ ከሎ ዝተጠቕመሉ ዘረባ ... ከም መንሽሮ፡ ጻህያይ፡ ጐኑፍ ... እዞም ጻህያይ ካብ ሃገርና ክመሓዉ'ዮም ይብል። ከም ኣኽባር ሕጊ፡ ኣብዚ ተፈጢሩ ዘላ ሃዋሁው ናይ ምጽናት-ዓሌት፡ ገበነ-ኲናት፡ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊነት ዝፍፈሙ ገበናት ... መራሒኹም ከምዚኦም ዘኣመሰሉ ሓረጋት ክጥቀም ከመይ ይመስለካ? ጌዲዮን ጢሞቴዎስ፡ ብቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተፈነወ መግለጺ ንሓደ ናይ ሽበራ ማሕበር ብዝምልከት'ዩ። ብዙሓት መራሕቲ ዓለም ንናይ ሽበራ ማሕበራት - ከም ኣይሲስ ዘኣመሰሉ - ንምግላጽ ተመሳሳሊ ሓረጋት ተጠቒሞም'ዮም። ህ.ወ.ሓ.ት. ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝፈጠርዎ ስቅያት - ኣብ ቀረባ እዋን ዝወዓልዎ ግፍዕን ጃምላዊ ቅትለትን ጥራይ ዘይኰነስ ሰላሳ ዓመታት ዝፈጸምዎ ግፍዒ ኣብ ግምት ብምእታው - ብዙሓት ዜጋታትና ዝሰማምዕዎም ሓረጋት'ዮም። ስቲቭን ሳከር፡ እቲ ጸገም ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየዱ ዘሎዉ ነገራት ብምዕዛብ ... ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝፍጸም ዘሎ፡ ማለት ብዙሓት ተጋሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘጓንፎም ዘሎ ግፍዒ ከም ኣብነት ክንወስድ ንኽእል። ብኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ተኸቢቦም ዝተኣስሩ ኣሎዉ። ሓላፊት ዩኤስኤይድሳምንታ ፓወር፡ዝሃበቶ ግብረ-መልሲ እንድሕሪ ርኢና፡ ንወዲ ሰብ ዘቋናጽብ ቋንቋ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ውጥረት መሊሱ'ዩ ዘግድዶ ትብል። ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ከም ዝረኣናዮ ድማ ኣብ ዓሌት ዝተሞርኰሰ ጸርፊዘስዕቦ ግፍዒ ሓደገኛ ምዃኑ`ዩ። ጌዲዮን ጢሞቴዎስ፡ ህ.ወ.ሓ.ት. ብሕጋዊ መገዲ ብናትና ፓርላማ ናይ ኣሸበርቲ ማሕበር ዝብል ስም ተዋሂቡዎ'ዩ። ዝዀነ ሰብ ንከምዚ ዝኣመሰለ ማሕበር ዝሕግዝ ወይከኣ ደገፍ ዝህብ ብሕጊ ተሓታቲ'ዩ። ህ.ወ.ሓ.ት. ኣብ ዓሌት ዝተመርኮሰ ጉጅለ'ዩ። ዳርጋ ኵሎም ሰዓብቱን ተሓባበርቱን ተወለድቲ ትግራይ'ዮም። ሓድሓደ እዋን ወጻእተኛታት ነዚ ስርዒት'ዚ ኣይርድእዎን'ዮም፣ እቲ ንዓና ኣጓኒፉና ዘሎ ብድሆ ኣይፈልጥዎን። እቲ ንሕና ከም መሳርሒ እንጥቀመሉ ሃዋሁው ኣይርድኦምን። ስቲቭን ሳከር፡ ንዝቕጽል ሓድነት ኢትዮጵያ ዘሎካ ትጽቢት ከመይ ይመስል ማለት'ዩ? መራሒ ህ.ወ.ሓ.ት.፡ ዶክተር ደብረጽዮን፡ ኣብ ቀረባ ጊዜ ከም ዝበሎ፡ 'ምትእምማን ጨሪሱ የለን፣ እንድሕሪ (መንግስቲ) ዘይደልየና ዀይኑ፡ ንምንታይ ምስ ኢትዮጵያ ንጸንሕ?'ክብልተዛሪቡ። ኢትዮጵያ ናይ ምግምማዕ ተኽእሎ የንጸላልዋ ኣሎ፡ ኣይኰነንዶ? ጌዲዮን ጢሞቴዎስ፡ ኢትዮጵያ ኣይክትገማማዕን'ያ። ክትፈልጦ ዘሎካ ኢትዮጵያ ጥንታዊት፡ ንለውጢ ተጸዋርነት ዘሎዋ ሃገር'ያ። ኣብ ነዊሕ ታሪኽና ብዙሕ ነገራት ርኢናን ተጻዊርናን ኢና። እንድሕር ብቆራጽነት ሒዝናዮ ክንሓብር ንኽእል ኢና። ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ምጕብዕባዕ ብቆራጽነትን ጽንዓትን ተታሒዝናዮ ክንስዕሮ ኢና። ህ.ወ.ሓ.ት. ንኢትዮጵያ ንምዕናው'ያ ኣንቂዳ፣ ንኢትዮጵያ ክትዕብልል እንተ ዘይክኢላ ህላዌኣ ዘብቅዕ ይመስሎም ይኸውን፣ ኢትዮጵያውያን ምክፍፋል ዝቕበልዎ ኣማራጺ ኣይኰነን። ስቲቭን ሳከር፡ ዶክተር ኣቢዪ ኣሕመድ ብታሕሳስ 2019 ኖቤል ክቕበል ከሎ ዘስምዖ መደረ ይዝከረኒ፣ \"ቅድሚ ካብ ምህርቲ ሰላም ምቅሊትና ምዕጻድና ናይ ፍቕሪ ሕድገትን ስኒትን ፍረ ኣብ ልብን ኣእምሮን ዜጋታትና ምዝራእ የድልየና\" ክብል ተዛሪቡ። እዚ ናይ ሕጂ ኵነታት ካብ ፍቕርን ሕድገትን ስኒትን ዝረሓቐ ኰይኑ እረኽቦ። መንግስቲ ንተቓወምቲ ሓልታት ትግራይ ምድምሳስ፡ ንመንሽሮ ሕብረተሰብ ምቕንጻል ዘንቀደ 'ዩ። ጌዲዮን ጢሞጤዎስ፡ ንሕና ሕድገት ተጠቒምና፡ ስኒት ተጠቒምና፣ እዚ ሓድሽ ምሕደራ ኣብ ስልጣን ምስ መጸ ን ህ.ወ.ሓ.ት. ይቕረ ኢልናሎም ኔርና። ነቲ ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ኣካል ንክጽንበሩዎ ዕድል ሂብናዮም ኢና - እዚ ነቲ ቀደም ዝፈጸምዎ ገበናት ይቕረ ብምባል'ዩ ተኻይዱ። ደጋጊምና ፍታሕ ንምርካብ ፈቲንና ኢና። ህ.ወ.ሓ.ት. ኵናት ወሊዑ፣ ህ.ወ.ሓ.ት. 'ዩ ጕቲቱ ኣብ ግጭት ኣእትዩና። ንሕና መሪጽና ዝኣቶናዮ ግጭት ኣይኰነን። ኣብ ሰሜን ዝርከብ ወትሃደራዊ ማዓስከርና ምስ ኣጥቅዑ'ዩ እቲ ኵናት ተወሊዑ። ስቲቭን ሳከር፡ ወትሃደራዊ መትፍሒ ግን የለን፣ ኣይኰነን ድዩ ኣቶ ኣኽባር ሕጊ? እዚ ብዘተን ልዝብን'ዶ ኣይኰነን ዝፍታሕ? መንግስቲ ግን ቋንቋ ዘተን ልዝብን ኣይዛረብን ዘሎ። ጌዲዮን ጢሞቴዎስ፡ እቲ በይናዊ ምቑራጽ ተዅሲ ምስ ኣወጅና ሰላም ንክዓስል ዕድል ሂብናዮ ኢና። ስቲቭን ሳከር፡ ይቕሬታ ግበረለይ ክኾልፈካ ... ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ'ዶ ኣይኰነን ኩሉ ዓቕመ-ኣዳም ዝበጽሐ ንተቓወምቲ ሓልታት ትግራይ ንምድምሳስ ናብ ዉግእ ክወፍሩ ዝጠለበ? እዚ ንምቑራጽ ተዅሲ ዝዕድም ጻውዒት ኣይኰነን። ጌዲዮን ጢሞቴዎስ፡ እቲ በይናዊ ምቑራጽ ተዅሲ ምስ ኣወጅና ህ.ወ.ሓ.ት. ተመጣጣኒ ግብረ-መልሲ ኣይሃብሉን። እንታይ ድኣ ነቲ ግጭት መሊሱ ከም ዝውስኽ ገበሩ። ኣብ ዓፋርን ኣምሓራን መጥቃዕትታት ፈኒዉ። ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ቦትኦም ለቒቖም ከም ዝኸዱ ገይሮም፣ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ከኣ ቀቲሎም። ኣብ ከምዚ ኵነታት እንታይ ክንገብር'ዩ ዝድለ ዘሎ? ህ.ወ.ሓ.ት. በቲ ናብ ዉግእ ዘድህብ ባህሪኦምን ዘካይድዎ ዘሎዉ ዓመጽን ነቲ ዝዓለምናዮ ምቑራጽ ተዅሲ ከም ዘይሰርሕ ገይሮሞ። ንሕና ንህዝብና ክንከላኸለሉ መሰልን ሓላፍነትን ኣሎና።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58311207"} {"headline":"ቅልውላዉ ትግራይ፡ ኤርትራ ሓይልታታ ካብ ትግራይ ክወጹ ከም ዝተሰማምዐት ገሊጻ","content":"ኤርትራ ንመጀመርታ እዋን ሓይልታታ ኣብ ክልል ትግራይ ከምዝኣተወ ብምእማን፡ ካብቲ ሒዝዎ ዘሎ ቦታታት ምውጻእ ከም ዝጅምር ኣፍሊጣ። ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሶፍያ ተስፋማርያም፡ ናብ ባይቶ ጸጥታ ናይቲ ውድብ ኣብ ዘቕረበቶ ናይ ተቓውሞ ደብዳበ፡ ኤርትራ ሓይልታታ ካብ ትግራይ ክወጹ ከምዝተሰማምዐት ጠቒሳ። \"እቲ ተንጠልጢሉ ዝነበረ ሓደጋ ብምልጋሱ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን - ኣብ ዝለዓለ ደረጃ - ምውጻእ ሓይልታት ኤርትራ ክጅመርን፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣሃዱታት ኢትዮጵያ ኣብ ዓለምለኻዊ ዶብ ክዋፈሩን ተሰማሚዐን\" ክትብል ኣብቲ ሎሚ ዝወጸ መግለጺ ጽሒፋ። እታ ኣምባሳደር፡ ቀዋሚት ወኪል ኣመሪካ ኣብቲ ውድብ ብዛዕባ ኤርትራ ንባይቶ ጸጥታ ዝሃበቶ መግለጺ \"ዘየድሊ\" ብምባል መንግስቲ ኤርትራ ከምዝቃወሞ ኣነጺራ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ መንግስቲ ኤርትራ ሓይልታቱ ካብቲ ሒዞሞ ዝነበሩ ከባቢታት ዶብ ክወጹ ከምዝተሰማምዐ ገሊጹ ነይሩ። ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ኣብ ትግራይ ቅትለታት ከምዝተፈጸሙ፡ ተጣበቕቲ ጉጅለታትን ገለ ነበርቲ እቲ ክልልን ክኸሱ ምጽንሖም ይፍለጥ። እንተኾነ ግን ኣምባሳደር ሶፍያ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ኤርትራ ዝቐርብ ክስታት ጾታዊ ዓመጽ ዝርከቦም ገበናት \"ዘቖጥዕ ጥራይ ዘይኮነ፡ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ባህልን ታሪኽን ህዝቢ ኤርትራ እዩ\" ክትብል ነጺጋቶ። በቲ ብሰንኪ ኲናት ኣብ ትግራይ ዝሰዓበ ኩነታት ዝሕተት ህወሓት ምዃኑ ዝገለጸት ኤርትራ፡ ንኤርትራ \"ክወርርን\" ከምኡ'ውን \"ሓደገኛ ዞባዊ ዘይምርግጋእን\" ክፈጥር መደብ ከምዝነበሮ ከሲሳ። ኣብ ፈለማ ናይቲ ኲናት፡ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ከምዝነበረ ዝገልጹ ዝነበሩ መራሕቲ ህወሓት፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ናብ ኤርትራ ሚሳይላት ከምዝተኮሱ ይዝከር። እታ ኣምባሳደር፡ ትካል ሰብኣዊ ረዲኤት ሕቡራት ሃገራት፡ ብዛዕባ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይን፡ ዝፍጸም ዘሎ ጾታዊ ዓመጻትን ምዝራቡ ካብ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ወጻኢ'ዩ ክትብል'ውን ነቒፋ። ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ምውጽኡ ዘረጋግጽ ዝኾነ ዓይነት ጭብጢ ከምዘየለ፡ ላዕለዋይ ሓላፊ ሰብኣዊ ረዲኤት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ማርክ ሎውኮክ ብዓርቢ ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ካብቲ ብኲናት ዝተሃስየ ክልል \"ምውጽኦም ዘርኢ ነገር፡ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ይኹኑ፡ ካልኦት ምሳና ዝሰርሑ ትካላት ረዲኤት ኣይረኣዩን\" ኢሉ። ወኪል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ብወገና፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብቅልጡፍ ክወጽእ ጸዊዓ። ኣምባሳደር ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ: ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንቅልውላው ትግራይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ እያ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብቅልጡፍ ክወጽእ ከምዘለዎ ገሊጻ። ኣመሪካ እቲ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ዝብሃል ነገራት ብላዕለዋይ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ትግራይ ዝርከብ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላትን ክምርመር'ውን ጸዊዓ ኣላ። ኣመዓባብላ ናይቲ ኵናት ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገመንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ። ጠንቂ ናይቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ መጋቢት 2018 ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣንን ምድኻምን ምድፋእን ህወሓት ካብቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዓብላልነት ዓትዒትዎ ዝነበረ ፈደራላዊ ስልጣንን ዝተኣሳሰር'ዩ። ኣብ ሕዳር 2019፡ ኢህወዴግ ውሁድ ገዛኢ ሰልፊ ክኽውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ ህወሓት ነቲ ውሳነ ስለ ዘይተቐበሎ ከም ዝወጽእ ኣነጺሩ። ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይቲ ዓመት ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ፍትሕ ወግዓዊ ኮይኑ። በዚ ድማ ብልጽግና ገዛኢ ሰልፊ ኮይኑ፡ ህወሓት ከኣ ከም ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብዶ\/ር ኣብዪ ዝምራሕ ብልጽግና ደው ኢሉ። ኣብ መጋቢት 2020 ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከም ዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል'ዩ ዝብል ምጉት ብምልዓል ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን። እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይቲ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ዝነበሮ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ንውሳነ ኮሚሽን ምርጫ ብምርዓም፡ ዕድመ ስልጣን ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት ክናዋሕ ውሳነ ኣሕሊፉ። ህወሓትን እቲ ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብወገኖም፡ እቲ ውሳነ \"ዘይሕገመንግስታዊን\" \"ዘይሕጋውን\" ብምባል ንውሳነ ናይቲ ቤትምኽሪ ነጺግዎ። ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልቲኡ ባይቶታትን ኣፍልጦ ከም ዘይህቦም'ውን ኣፍሊጡ። እቲ ውሳነ ቅድሚ ምሕላፉ'ውን፡ እታ ኣፈጉባኤ ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝነበረትን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን ዝነበረት ወ\/ሮ ኬርያ ኢብራሂም እቲ ውሳነ ከይሓለፈ እንከሎ ተቓውሞኣ ንምግላጽ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ወሪዳ። ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንውሳነ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ድሕሪ ምጽዳቑ ኸኣ፡ ባይቶ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ምርጫ ከካይድ ብ12 ሰነ 2020 ወሲኑ። ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ክልላዊ ምርጫ ከካይዶ'ኳ ብወገን ትግራይ ጠለብ ቀሪቡሉ እንተነበረ፡ ስለዝነጸጎ፡ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ከቕውም ተገዲዱ። ብ9 መስከረም 2020 ድማ ምሉእ ብምሉእ ህወሓት ዝተዓወተሉ ክልላዊ ምርጫ ተኻይዱ። ድሕሪ'ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም። እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ። ብወገን ህወሓት፡ ዝርርብ ክካየድ እንተኾይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርት፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፈትሕን ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ክፍጠርን ዝብል ቅድመ ኵነት ቀሪቡ። እንተኾነ ግን፡ እቲ እናኸረረ ዝመጸ ምትፍናንን ወጥሪን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕን ሰፊሕን ኲናት ኣምሪሑ፡ ኣብቲ ክልል ከቢድ ቅልውላዉ ፈጢሩ ይርከብ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56780954"} {"headline":"ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሽልማት ኖበል ሰላም ሒዙ ናብ ኲናት ዘምርሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብሰንኪ'ቲ ፈለማ ዘርኣዮ ናይ ለውጢ ጸዓት፡ ካብ ሃገሩ ወጻኢ ሰፊሕ ናእዳ ረኺቡ'ዩ። እንተኾነ ግን፡ ኣብዚ ፈላሚ ምርጫ ከካይድ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ናይ ፈለማ ምስሉ ተደምሲሱ ይርከብ። ካብ ውዳሰ ናብ ኩነኔ ማሕበረሰብ ዓለም ክሰግር ዝወሰደሉ ግዜ ኣዝዩ ሓጺር'ዩ። ኣብ ጥቅምቲ 2019፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ን20 ዓመታት ዝቐጸለ ምትፍናን ከም ዘብቅዕ ብምግባሩ፡ ሽልማት ኖበል ብምዕታር ኣብ ዓለም ዘለዎ ቦታ ኣረጋጊጹ ነይሩ። ብሰንኪ'ቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ግን እቲ ዝነበሮ ክብሪ ተገልቢጡ'ሎ። ኣብ ሚያዝያ 2018፡ ኣንጻር መንግስቲ ተቓውሞታት ኣብ ዝግበረሉ ዝነበረ እዋን'ዩ ኣብ መበል 41 ዓመቱ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ተሸይሙ። ዝነበሮ ናይ መንእሰይ ጸዓትን ድሙቕ ፍሽኽታን ተስፋ ዝህብ ነበረ። እቲ ድሮ ክመርሖ ጀሚሩ ዝነበረ ገዛኢ ሰልፊ ጥምረት ኢህወዴግ፡ ዘመነ-ስልጣኑ ሰለስተ-ዓሰርተታት ዓመታት ክመልእ ቁሩብ'ዩ ተሪፍዎ ነይሩ። ኣብ ልዕሊኡ፡ ክስታት ምጭፍላቕን ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ይቐርቡ ነይሮም። ቀንዲ ካብኦም ድማ፡ ተቓወምቲ ዝበሎም ወገናት ኣብ ቀይዲ ምእታውን፡ ምዕባስ ጋዜጠኛታትን'ዮም ነይሮም። ኢህወዴግ፡ ኣብታ ሃገር ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕብየት ከመዝግብ'ኳ እንተኸኣለ፡ ብዙሓት ግን ተረባሕቲ ኮይኖም ኣይተሰምዖምን። እቲ ናይ ምግላል ስምዒታት፡ ብፍላይ ኣብ ኣባላት ናይቲ ኣብታ ሃገር ዝዓበየ ብሄር ኦሮሞ፡ ማዕበላዊ ተቓውሞታት ኣለዓዒሉ። እቲ ንባዕሉ ኦሮሞ ዝኾነ ኣብዪ ኸኣ፡ ኣብቲ ማዕበል ተወጢሑ ናብ መንበረ ስልጣን ድሕሪ ምድያቡ፡ ነቲ ዝነበረ ስምዒታት ንምፍታሕ፡ ርእስኻ ብዘዝውር ቅልጣፈ ጽገናታት ኣካይዱ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ናይ ፖለቲካ እሱራት ፈቲሑ፡ ኣብ ናጻ ፕረስ ዝነበረ እገዳታት ኣልዒሉን፡ ነቶም ተኣጊዶም ዝነበሩ ተቓወምቲ ጉጅለታት ካብ ስደት ናብ ሃገሮም ክኣትዉን ዓዲሙ። ጓለ-ንስተይቲ ፕረዚደንት ክትከውን ደጊፉ፡ ኣብ ካቢነኡ ጾታዊ ምዕሩይነት ኣረጋጊጹን፡ ሚኒስትሪ ሰላም መስሪቱን። እቲ ዝዓበየ ዝተጎናጸፎ ዓወት ግን፡ እቲ ምስ ኤርትራ ዝተገብረ ስምምዕ ሰላምን ምኽፋት ሓበራዊ ዶባትን'ዩ ነይሩ። ኣብዪ፡ ነታ ሃገር ብምዛር፡ ነታ ብብዙሕነት ሄራታ እትፍለጥ ኢትዮጵያ ከስምራ ምዃኑ ተዛሪቡ። ነቲ ዝነበረ ብሄራዊ ምምቕቓል ብምግጣም ሃገራዊ ሓድነት ንምድንፋዕ፡ \"መደመር\" ዝተባህለ ሓድሽ ፖለቲካዊ ፍልስፍና ሃንዲሱ። ነቲ ብዙሕነት ንምጽንባል ዝነበሮ ድሌት'ውን ኣርእዩ። ኣብታ ሃገር ድማ ሰፊሕ ደገፍን ህቡብነትን ረኺቡ። እዚ ድማ፡ ብሰንኪ'ቲ ዘካየዶ ሃንደበታዊ ለውጥታት፡ ከምኡ'ውን ውልቃዊ ድሕረባይትኡን እዩ ነይሩ። ኣብቲ ምህርቲ ቡን ዝሕፈሰሉ፡ ደቡባዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ እትርከብ በሻሻ ዝተባህለት ንእሽቶ ከተማ፡ ካብ ሰዓብቲ ክርስትናን እስላምን ዝኾኑ ወለዱ ምውላዱ፡ ነታ ዝተመቓቐለት ሃገር ከሕብራ'ዩ ዝብል ትጽቢት ተነቢሩሉ። ኣብዚ ቀረባ እዋናት ካብ ዝመጹ ተወለድቲ ብሄረ ኦሮሞ ብምዃኑ፡ ኣቶኩሮ ናይቶም ምሉእ ፖለቲካዊ ተሳታፍነት ክረኽቡ ዝጠልቡ ዝነበሩ መንእሰያት ረኺቡ። ነቲ ዝነበሮ ውዕዉዕ ንእስነታዊ ጸዓት እናቃለሐ ድማ ኣብታ ሃገር ዑደት ኣካዪዱ። ምቕልሉነቱ፡ ምስቶም ዘፍርሑ ቅድሚኡ ዝነበሩ መራሕቲ ተነጻጺሩ። ብዓይኒ ናይቶም ኣብቲ ዘካይዶ ዝነበረ ዑደት ዝረኽቦም ዝነበረ ዜጋታት፡ ከምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ መራሕቲ ኣይነበረን። ይኹን ድኣ'ምበር፡ ወዲ ውሻጠ'ዩ ነይሩ። ኣብ ሰራዊት ዝነበረ ኮይኑ፡ ክሳብ ናይ ሌተናንት ኮለነል መዓርግ ዝበጽሐ'ዩ። ብድሕሪኡ ድማ፡ መስራትን ዳይረክተርን፡ ናይቲ ንመርበባዊ-ድሕነት ዝከታተል ትካል መርበብ ሓበሬታን ጸጥታን ኮይኑ። መንግስቲ ንኣገልግሎት ኢንተርነት ኣትሪሩ ዝቆጻጸረሉ ዝነበረ እዋን ድማ'ዩ ነይሩ። ቀጺሉ ድማ፡ ሚኒስተር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኮይኑ ተመዚዙ። እንተኾነ ግን፡ እቲ መጀመርታ እዋን ዝተፈጥረ ማዕበል ሓጎስ ምስ ሃፈፈ፡ እቲ እዋን መግዛእቲ ምልካውያን ስርዓታት ፈኽ-ፈኽ ዝብል ዝነበረ ዝተወርሰ ሕዱር ምትፍናን፡ ክግንፍል ጀሚሩ። ዝደፍኣሉ ዝነበረ ብዙሕነት እናጸንበልካ፡ ሓድነት ምርግጋጽ ዝብል ኣካይዳ ጸገም ከጋጥሞ ጀሚሩ። ውልቀሰባት ብሰንኪ ብሄሮም ግዳያት ብሄር መሰረት ዝገበረ ጎነጽን መጥቃዕትታትን ኮይኖም፡ ኣሽሓት ተቐቲሎም። ኣብ 2019፡ ኣስታት 2 ሚልዮን ሰባት ካብ መንበሪ ኣባይቶም ሃዲሞም ናብ ካልእ ክፋል እታ ገሃር ተፈናቒሎም። ቅድሚኡ ሳሕቲ ዝነበሩ ቀንጸላታት ውልቀሳባት ብዘሰንብድ መጠን ክፍጸሙ ጀሚሮም። ኣብ ሰነ 2018፡ ኢታማጆር-ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያን፡ መራሒ ናይታ ብዕብየታ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትስራዕ ክልል ኣምሓራን ኣብ ሓደ ለይቲን ብኣማኢት ኪሎ ሜትራ ኣብ ዝረሓሓቕ ቦታን ተቐቲሎም ሓዲሮም። ሓያሎ ኣብ ኣሕተዋይ ደረጃ ዝርከቡ ሰበስልጣን'ውን ተመሳሳሊ ዕጫ በጺሕዎም። ኣብዪ፡ ነቲ እናበረኸ ዝኸይድ ዘሎ ጎነጽ ንምቁጽጻር፡ ናብቶም ኣቐዲሞም ዝነበሩ መንግስታት ዝጥቀምሎም ዝነበሩ ስልትታት ተመሊሱ። ኣገልግሎታት ኢንተርነትን ተሌፎንን ሓያሎ እዋናት ተቛሪጾም። ጥርጡራት ብጅምላ ተቐዪዶም። ገለ ካብኦም፡ ሳምንታት ወይ ኣዋርሕ ድሕሪ ምእሳሮም፡ ብዘይ ፍርዲ ተፈቲሖም። ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ፍሉጥ ሙዚቀኛ ቋንቋ ኦሮሞ ዝኾነ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ ተቐቲሉ። እቲ ፍጻመ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ናይ ብሄር ምትፍናን መሊሱ ኣዕሪግዎ፡ ብሰንኩ ድማ ጸጥታዊ ስጉምትታት ወሲኹ። ብሰንኪ'ቲ ቅትለት፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያን ኣዲስ ኣበባን ዝስዓበ ጎነጽ፡ ሂወት ልዕሊ 200 ሰባት ቀዚፉ። ነቲ ጎነጽ ኣለዓዒልኩም ወይ ኣጋዲድኩም ብዝብል ክሲ፡ ሓያሎ ፍሉጣት ተቓወምቲ ባእታታት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። ሓያሎ ፖለቲካውያን ተጣበቕቲ ተወለድቲ ኦሮሞ ድማ፡ እቲ ስጉምቲ፡ ነቲ ኣብ ኦሮሚያ ዘጋጠሞ ተቓውሞ ንምድቋስ ዝወሰዶ'ዩ ክብሉ ኣንጻሩ ዘለዎም ተቓውሞ ክገልጹ ጀሚሮም። ካብ ኩሉ ግን፡ ምስ ካልእ ኣብ ብሄር ዝተሞርኮሰት ክልል ዝፈጠሮ ዝምድና'ዩ ንዝንኡ ደዊንዎ ዘሎ። ኣብ ግንቦት 2019፡ ንኢሂወዴግ ብምፍራስ፡ ብልጽግና ፓርቲ ምምስራቱ፡ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣብ ረጽሚ ኣእትይዎ'ዩ። እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ ህወሓት፡ ኣብቲ ብኢህወደግ ዝምራሕ ዝነበረ ፈደራላዊ መንግስቲ'ውን መሪሕ ተራ ከምዝነበሮ ይዝከር። ካብ ስልጣን ዝተገለለ ህወሓት፡ ኣባል ናይቲ ኣብዪ ዝመስረቶ ውድብ ከምዘይከውን ኣፍሊጡ፡ ናብቲ ክልል ኣንሳሒቡ። ብድሕሪ'ዚ፡ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ህወሓትን ዝነበረ ምትፍናን ናብ ግጭት ኣምሪሑ። ኣብዪ ኣሕመድ ነቲ 8ይ ወርሑ ሒዙ ዘሎ ኲናት፡ \"ሕጊ ናይ ምኽባር ስርሒት\" ክብል'ዩ ዝገልጾ ነይሩ። ግዜ እናወሰደ ምስ ከደ ግን፡ ጃምላዊ ጾታዊ ዓመጽ፡ ዘይሕጋዊ ምርሻንን ንጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ምጥቃምን ዝበሉ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ተፈጺሞም ዝብሉ ክስታት ይቐርቡ ኣለዉ። ቃና ናይቲ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ዝቐርብ ዘሎ ናይ ሻቕሎት መግለጺታት እናበርትዐ ይመጽእ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ እታ ኣብቲ ኣንጻር ግብረሽበራ ዝግበር ዝነበረ ቃልሲ መሓዛ ኢትዮጵያ ዝነበነረት ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ'ቶም \"ንቅልውላዉ ትግራይ ዝምልከት [ብባይቶ ኣመሪካ] ዝሓለፈ ውሳነ ዝጻረሩን ዝደጋገፉ\" ውልቀሰባት ናይ ቪዛ እገዳ ኣንቢራ'ላ። ኣመሪካ፤ ኣብቲ ትህቦ ዝነበረት ቁጠባዊን ናይ ጸጥታን ሓገዛት'ውን እገዳታት ገይራ እያ። ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኣብዪን መንግስቱን ዝነበረ ኣረኣእያ ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ነገራት ምግልባጦም ዘገርም'ዩ። ንምርጫ ብዝምልከት ግን፡ ዝያዳ ኩሉ እቲ ኣብ ሃገሩ ዘለዎ ተቐባልነት'ዩ ዘገድስ- ንሱ'ውን ተሃስዩ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሃገራዊ ምርጫ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ምንውሑ፡ ገለ ወገናት ስልጣን ንምጭባጥ ዝዓለመ'ዩ ይብሉ ነይሮም። \"ቅድሚ ሕጂ ዝድግፍዎ ዝነበሩ ወይ ኣንጻሩ ጸግዒ ዘይወሰዱ ገለ ተወለድቲ ኦሮሞ፡ ሕጂ ተገልቢጦሞ ኣለዉ\" ይብል ኣብ ሆላነድ (ነዘርላንድስ) ዝነብር ኢትዮጵያዊ ተንታኒ ኣደም ከ. ኣበበ። ኣብቲ ካብ ፈለማ ጀሚሩ ብጥርጣረ ዝራኣየሉ ዝነበረ ክልል ትግራይ ድማ \"ኣብ ልዕሊኡ ዝነበረ ዘይምትእማን ናብ ጽልኢ ዓብዪ'ሎ\" ይብል። ካብ ተወለድቲ ብሄረ ኣምሓራ ዝረኽቦ ዝነበረ ደገፍ'ውን ኣይከምቀደሙን። እቲ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ቤኒሻንጉል-ሙዝን ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ ዝፍጸም መጥቃዕትታት ጸልይዎ'ዩ። እንተኾነ ግን፡ ቀንዲ ተቐናቐንቲ ኣብ ማእሰርቲ ኣትዮም ወይ ድማ ነቲ ምርጫ ተሓሲሞሞ ኣብ ዘለውሉ እዋን፡ እቲ ብኣብዪ ዝምራሕ ሰልፊ ብልጽግና ክዕወት ትጽቢት ይግበር። ኣብ ልዕሊ'ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዘሎ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ፡ \"ካብ ዘይክውንነታዊ ትጽቢትን፡ ኣብዪ ብዛዕባ ርእሱ ክሃንጾ ዝፈተነ ውልቀ-መለኮት\" ዝብገስ ምዃኑ ኣቶ ኣደም ንቢቢሲ ተዛሪቡ። \"ካብ ኣገዳሲ ክፋል ናይቲ ህዝብን፡ ሕጂ ድማ ካብ ቀንዲ መሻርኽቲ ምዕራባውያን ሃገራት እምነት ኣብ ዝሰኣነሉ ኩነታት፡ ሰላም፡ ደሞክራስን ብልጽግናን\" ከምጽእ ምዃኑ ተመባጺዑ ነይሩ። ንኣብዪ እቲ ኩነታት ክሳብ ክንደይ ከሻቕሎ ከምዝኽእል ግን ንጹር ኣይኮነን። ምስ ጋዜጠኛታት ቃለ-መሕትት ካብ ምግባር'ኳ እንተ ተቖጠበ፡ ኣብ ዓይኒ ህዝቢ ክኣቱ ግን ባህ ዝብሎ'ዩ ዝመስል። ኣብ ዝተፈላለዩ መደረታቱ ደጋጊሙ ክብሎ ዝስማዕ፡ ዋላ'ኳ ኢትዮጵያ ዓቢ ብድሆ ኣጋጢምዎ እንተሎ፡ ክትሰግሮ ምዃና ዝገልጽ'ዩ። እቲ ዝቐርበሉ ነቐፌታ፡ ዘይተርፍ ሳዕቤን ናይቲ ለውጢ ንምምጻእ ዘካይዶ ፈተነታት ምዃኑ ጌሩ ዝወስዶ'ዩ ዝመስል።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57479614"} {"headline":"ኣስመራ: መበል 30 ዓመት ሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ብወግዒ ተጸንቢሉ","content":"መበል 30 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ሎሚ 24 ግንቦት ኣብ ውሽጢ ሃገር ብወግዒ ተጸንቢሉ ውዒሉ። ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝተፈጸመ ወግዓዊ ስነስርዓት ጽንብል፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሚኒስተራት፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ዲፕሎማሰኛታንን ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝብን ተረኸቦም ነይሮም። እቲ 'ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ግምት ዘእተወ'ዩ' ዝተባህለሉ ጽንብል፡ ብወተሃደራዊ ምርኢትን፡ ሙዚቃን ዝተሰነየ'ዩ ነይሩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስምዖ ሓጺር መደረ፡ \"ድሕሪ ካልኣይ ዓለማዊ ኲናት ሕጋዊ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነትን ልኡላውነትን ምስ ተዓፈነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንባርነትን መግዛእትን፡ ዓሎቕን ሓይሊ-መጎትን፡ ሸጠፍን ምስዳዕን ከይራዓመ፡ ን50 ዓመታት፡ ካብ 1951 ክሳብ 1991 ብጽንዓትን ጀግንነትን መኪቱ ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ፡ ናጽነቱ ልኡላውነቱን ብፍትሒ ዘረጋግጸሉ ሓወልቲ'ዩ\" ክብል ንመዓልቲ ናጽነት ገሊጽዎ። ብዛዕባ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝሃቦ መብሪሂ'ውን፡ \"ድኻማትና ከነለሊን፡ ናይ ኣጋ ምትዕርራይ ከነተኣታቱን'ውን መለቢ ኮይኑ ስለዘሎ፡ ትኩርነትና ከየዝለቕና፡ ኩሉ-ጎናዊ ናይ ምርምርን፡ ምክልኻልን ፍወሳን ዓቕምታትና እናጎልበትና፡ ንድሕነታውን ልምዓታዊ መኸተና ብኣሉታ ምእንቲ ከይጸሉ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር ከንእትዎ ከይሰልከና ክንሰርሕ ኢና\" ኢሉ። \"ምስዚ ዘሎ ርቡጽ፡ ዓለማውን ዞባውን ክስተታት፡ ልኡላውነትናን ናጽነታትን ኲኖ ምክንኻንን ምሕላውን፡ ድሕነታውን ልምዓታውን መኸተና ኣሐይልና ገስጋስና ንምንሃር፡ ተኸሊሱ ዘሎ ሓፈሻዊ መርሓ ክተት\" ንምውዕዋት ዜጋታት ተሳትፍኦም ከዕዝዙ ጸዊዑ። እቲ ንምትእትታው ምዕራባውያን ሃገራት ዝነቐፈ ፕረዚደንት፡ ብሰንኪ ሰራዊቱ ኣብ ኢትዮጵያ ምእታው ንዝቐርበሉ ዘሎ ነቐፌታታት ካብ ምንጻግ ሓሊፉ ዝሃቦ መግለጺ የለን። እቲ ፕረዚደንት ካብ 1991 ጀሚሩ፡ ነታ ሃገር ብዘይ ቅዋምን ሃገራዊ ምርጫን ይመርሓ ምህላዉ ይፍለጥ። ናጽነት ኤርትራ፡ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ብ24 ግንቦት 1991 ምስ ምሕራር ርእሰከተማ'ዩ ተረጋጊጹ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ብ25 ግንቦት 1991 ንመወዳእታ ግዜ ካብ መሬት ኤርትራ (ዓሰብ) ተሳዒሩ ምውጽኡ'ውን ይዝከር። ኣብ ግንቦት 24 1993 ኣብ ዝተገብረ ህዝበ-ውሳነ (ረፈረንደም) ድማ ህዝቢ ኤርትራ 99.8 \"እወ\" ንናጽነት ድሕሪ ምድማጹ ብወግዒ ሃገራዊ ናጽነታ ኣዊጃ። ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት'ውን፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንመዓልቲ ናጽነት ዘኪሮሞ ውዒሎም። ገለ ኤርትራውያን'ውን፡ ሃገራዊ ናጽነት ምጽንባል ብዘይ ሰባዊ ሓርነት ትርጉም ከምዝሳኣንሉ ክጽሕፉ ተራእዮም። ኣብ ስደት ዝርከቡ ሓያሎ ተጋደልቲ ደረፍቲ ዝርከብዎም ስነጥበበኛታት ብወገኖም፡ ብማንዛ ዝተወሃሃደ ፍሉይ ምርኢት ኣቕሪቦም።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57235653"} {"headline":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት እንታይ ኣፍርዩ?","content":"ኣብ ሚያዝያ 2018 ናብ ስልጣን ዝመጽአ ዶ\/ር ኣቢይ ኣሕመድ፡ እሱራት ፈቲሑ፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝነበሩ ተቓወምቲ ዕጡቓት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ብሰላማዊ መገዲ ክቃለሱ ዓዲሙ፡ ንብይን ኮሚሽን ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ተቐቢሉ ቆጽሊ ሰላም ሒዙ ንኤርትራ ምስ መጽአ ህዝቢ እታ ከተማ ወጥሪ ዕስራ ዓመት ዘዝልቕ ንፋስ ሰላም ነፊሱና ብማለት ከካብ ቤቶም ወጺኦም ብሓጎስ ተቐቢሎምዎ። ኣብቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዘዳለወሎም ናይ ድራር እንግዶት ከኣ \"ድሕሪ ሕጂ ትነብዕ ኤርትራዊት ኣደ ኣይክትህሉን እያ። መንእሰያት ኤርትራ ብኣጻምእ ሰሃራን ባሕርን ናብ ስደት ኣይክኸዱን እዮም\" ብምባል እቲ ህዝቢ ዝምነዮን ዝደልዮን ቃል ምስ ኣስመዐ፡ በቲ ልዙብን መሳጥን ቃላቱ ብዙሕ ሰብ 'እዝግሄር ጸሎትና ሰሚዑ ገኒሑ ክዕረቐና ነዚ ቅቡእ ሰብ ልኢኹልና' ክሳብ ምባል ከምዝተበጽሐ ዝዝከር እዩ። ግን ሰላም ኢትዮ ኤርትራ፡ እንታይ ኣፍርዩ? እቲ ሽዑ ዝነበረ ትጽቢትን ሕጂ ዘሎ ክውንነትን እንታይ ይመስል ንዝብል ሕቶ ዝተፈለላዩ ሰባት ርእይተኦም ንቢቢሲ ኣካፊሎም ኣለው። ኣቢይ ኣሕመድ ንፓርላማ ኢትዮጵያ ኣኪቡ ንብይን ኮሚሽን ዶባትን ስምምዕ ኣልጀርስን ብዘይ ቅድመ ኩነት ተቐቢለዮ ኣለኹ ምስ በለ ናይ ብሓቂ ተስፋ ከምዝገበረ ዝዛረብ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍርቃን ኤርትራዊ ኣመሪካዊ ስዩም ተስፋይ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምቲ ዶክተር ኣቢይ ኣብ ሃገሩ ዘርኣዮ፡ እሱራት ብምፍታሕ ኮነ ሓደ ሓደ ተስፋ ዝህብ መባእታዊ ለውጢ ብምትእትታው ነቲ ዕድል ክጥቀመሉ'ዶ ይኸውን ክብል ብሃንቀውታ ይጽበ ምንባሩ ይዛረብ። \"ከም መርኣያ ናይ ዕርቀ ሰላም ወጥሪ 20 ዓመት ዘሊቑ ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ኣቢይን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣጋጣሚ፡ ዶባት ዛላምበሳ ተኸፊቱ ህዝቢ ተሓቛቚፉ ክነብዕን ክሕጎስን ምስረኣዩ፡ ነቲ ናይ ህዝቢ ሓጎስን ተስፋን መሊሶም ክውስኽሉ እዮም ዝብል ትጽቢት ነይሩኒ። ግን እቲ ኩሉ ብጽቡቕ ዝተጀመረ ትጽቢት ኣብ መንጎ ከም ንፋስ በኒኑ ዘይተጸበናዮ: ምዕባለ ኩናትን ዕንወትን ስዒቡ\" ክብል እቲ ዝነበረ ትጽቢትን እዚ ሕጂ ዘሎ ክውንነትን ፈጺሙ ከምዘይላገብ ይገልጽ። ውዕል ሰላም ኣልጀርስን ተስፋ ሰላምን ነባሪ ዓባይ ብሪጣንያ ምሁር ፖለቲካዊ ቁጠባ ኣቶ በርሀ ፍሰሃየ ግን \"ኣብ ዝሓለፈ ነዊሕ ዓመታት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ካብ ሜዳ ኣትሒዙ ክኽተሎ ዝጸንሐ ኣገባብ ምሕደራ ብቐረባ ይከታተል ስለዝነበርኩ፡ ብፍላይ እታ ንጻውዒት ዕርቀ ሰላም ዝተቐበለላ 20 ሰነ 2018 \"ወያነ ገይም ኦቨር\" እትብል ሓረግ ምስ ተጠቕመን እቲ ዕርቀ ሰላም ክሰርሕ ከምዘይኮነ ብኣግኡ እዩ ተረዲኡኒ\" ክብል እቲ ሽርክነት ክልቲኦም መራሕቲ ውዒሉ ሓዲሩ ኣንጻር መራሕቲ ህወሓት ከምዝቐንዕ ይርደኣኒ ነይሩ\" ክብል እቲ ኣመትን ምልክትን ካብ ብንግሁኡ ከምዘየሐጎሶ ይሕብር። እቲ ን18 ዓመታት ኣቢሉ፡ ብውዕል ኣልጀርስ ዝቖመ ኮሚሽን ዶባት ኢትዮ ኤርትራ፡ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ሂቡ ከብቅዕ፡ መሪሕነት ህወሓት እቲ ብይን ኣብ ዶባት ንኸይምልከት ዓንቂጹ ብምጽንሑ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሰላማዊ ህይወቱ ከየድህብ በቲ እምቢታ ብዙሕ ከም ዝተጎድአ ይግለጽ። ኩነታት ተቐያይሩ ዶክተር ኣቢይ \"ብዘይ ቅድመ ኩነት ተቐቢልናዮ ኣሎና\" ምስ በለ ግን 'እቲ ንዓና ዝተበየነ መሬት ብሓይሊ ተጎቢጡ ኣሎ። ብደቡብ ልዑላዊ ስግኣት ኣሎና' እናተባህለ ልዕሊ እቲ ብኣዋጅ ዝተደንገገ ናይ ግዜ ገደብ ከገልግል ዝተገደደ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ሩፍታ ከምዝተሰመዖ መንእሰይ ኣብርሃም ይገልጽ። ስለዝኾነ ከኣ እቲ ዕርቀ ሰላም ነቲ ተዓንቂፉ ዝጸንሐ ገስጋስ ህንጸትን ምዕባለን ንቕድሚት ክውንጭፎ እዩ ዝብል ትጽቢት ዘሕደሩ አህዛብ ክልቲኡ ሃገራት ብፍላይ ከኣ እቶም መዳውብቲ ብልዑል ተስፋ ካብን ናብን እናተመላለሱ ደሃይ ሓድሕድ ክተሓተቱን ብሰላም ክነጋገዱን ጀሚሮም። ዶክተር ኣቢይ ንኣስመራ ኣብ ዝረገጸሉ ወርሒ ሓምለ 2018 ጎደናታት ኣስመራ ብባንዴራታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተሰሊሙ፡ ኣዴታት ቖጽሊ ስየ ሒዘን፡ እቶም መምስ ጎበዙ ግዴታዊ ኣገልግሎት ዝጽበዮም መንእሰያት፡ ወረ ሰላም ብምንፋሱ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ዘሊሎም ዓሊሎም። ንምእማኑ ክሳብ ዘሸግር ክልቲኡ ህዝቢ ብቴሌፎን፡ ብመካይን፡ ብነፈርትን ኣጋርን ርክብ ጀሚሩ። ኣብ ፈቐድኡ ጓይላ ሓጎስ ተተኺሉ፡ \"ፍቕሪ ይስዕር - ፍቕሪ ይምቅር\" ተባሂሉ ተዚሚሩ። እንተኾነ ድሕሪ ቁሩብ ዶባት ብምዕጻው: እቲ ተስፋ ሰለስተ ዓመታት ከይመልአ ክቕምርር ጀሚሩ። ኣምሳያ ጓይላን ጨፈራን ተዅስን ኵናትን ሞትን ዕንወትን ብኽያትን መልቀስን ስዒቡ፡ ኣብ አህዛብ ደምን ጽልእን ተተኺሉ ምርኣይ ናይ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ ትብል እቲ ወርቃዊ ናይ ሰላም ዕድል ብጽልእን ኵናትን ምብርዓኑ ዘጉህያ ወይዘሮ መብራት ንጉሰ። ምሁር ቁጠባ በርሀ ፍስሃየ እውን እቲ ዶባት ኣብ ዝተኸፍተሉ እዋን ኣብ ገጽ ክልቲኡ አህዛብ ዝረኣዮ ሓጎስ ብልቢ እኳ እንተሐጎሶ፡ እታ ንትግራይ ዘዘሊልካ እትግበር ዝነበረት ናይ ኣቢን ኢሳይያስን ርክብ ብፍላይ ከኣ ንባህርይ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ግምት ብምእታው ብውሽጡ ከምዘይቀሰነ ይዛረብ። \"ኢሳይያስ ድሕሪ ናጽነት ጥራሕ ብውሕዱ ንሰላሳ ዓመታት መገዲ ሰላም ተኸቲሉ ኣይፈልጥን እዩ። ኩሉ መገድታቱ ጎንጽን ሓይልን እዩ። ምስ ጂቡቲ፡ ምስ የመን፡ ምስ ሱዳን፡ ምስ ኢትዮጵያ ተዋጊኡ። ሕጂ ድሕሪ ዕስራ ዓመት ወጥሪ ከኣ ንሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዘይምልከቶ ኵናት ጎረቤት አእትዩዎ\" ብማለት ካብ ፈለማ እውን ርኡይ ስክፍታ ከምዝነበሮ ሓቢሩ። ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራሕ ዘይኮነ ኩሉ እቲ ወረ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ዝተበሰረ ማሕበረ ሰብ ዓለም ነቲ ተበግሶ ዮሃና ኢሉዎ። መራሕቲ ሃገራት ኣካየድቲ ኣህጉራዊ ትካላትን ልባዊ ሓጎሶም ገሊጾም። ዕርቀ ሰላም እተን ክልተ ሃገራት ኣብ ቁጠባውን ንግዳውን ምዕባለ ሃገራት ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃ እወታዊ ተራ ክህልዎ እዩ ተባሂሉ። ኣቢይ ኣሕመድ በቲ ዝወሰዶ ናይ ዕርቂ ተበግሶን ወጥሪ 20 ዓመት ኩነተ ኣይ ሰላም ኣይ ኵናት ስለዝቐየረ ናይ ኖቬል ሽልማት ተቐቢሉ። እንተኾነ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ቤቱ ፖለቲካውያን ተቓወምቲ ክኣስርን መገዲ ጎነጽን ሓይልን ክኽተል ምስተራእየ ሻቕሎት ከምዝሓደሮ ኣቶ ተስፋይ የረድእ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዕርቀ ሰላም ከሲቡዎ ዝበሃል ነገር እንተልዩ፡ ኣብቲ ፈለማ ኣዋርሕ ምስ ጎረባብቱን ተፈልዩዎም ዝጸንሐ ቤተሰቡን ክራኸብ ምኽኣሉ ጥራሕ እዩ። ካብኡ ተረፈ ኣብ ቁጠባ ይኹን ፖለቲካ እንተዘይገዲዱ ዝተቐየረ ነገር ከምዘየሎ፡ ህዝቢ ለበዳ ኮቪድን ዕጽዋን ተወሲኹዎ ድራር እለቱ ንምምእራር እውን ተሸጊሩ ምህላው፡ ካቢኔ ምኒስተራት ኤርትራ፡ ድሕሪ ዕርቀ ሰላም 2018 ንካልኣይ ሳዕ ተኣኪቡ ከምዘይፈልጥ፡ ነዚ ኢሳይያስ ኣብ ትግራይ ዝገበሮ ወተሃደራዊ ተሳትፎ እውን ዝፈልጡዎ ነገር ከምዘይብሎምን ህዝቢ እውን ከምዘይተሓበረን ኣቶ በርሀ ይገልጽ። ማሕበረ ሰብ ዓለም፡ ኩሎም እቶም ካብ ሕዳር 2020 ኣትሒዞም ኣብ ትግራይ ዝተሳተፉ ወተሃደራዊ ሓይልታት ሰብኣዊ ግህሰት ብምፍጻሞም ክኸሶምን ብፍላይ ሰራዊት ኤርትራን ካብ ትግራይ ክወጽእን ክጽውዕ ጸኒሑ እዩ። መንግስቲ ኣቢይ ምእንቲ ሰላም በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ወሲደ ኣለኹ ክብል እንከሎ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ግን ብቕልጽምና ኢና ናብ ርእሰ ከተማና ተመሊስና ብማለት ተዅሲ ደው ንኽብል ሸውዓተ ዝነጥብታቱ እማመ ኣቐሚጦም ኣለው። ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ነመሓድሮ ዝነበርና ልዑላዊ ግዝኣት ክልል ትግራይ ክሳብ ነምልስ ኵናት ክንቅጽል ኢና ክብሉ እንከለው፡ ከም ወልቃይት ጸገዴ ዝኣመሰለ መሬትና ቀደሙ እውን ብሓይሊ እዩ ተወሲዱ ጸኒሑ ሕጂ ከኣ አሕሊፍና ኣይንህብን ኢና ዝብሉ ሓይልታት ኣምሓራ ንኵናት ድሉዋት ምህላዎም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብቐጻሊ ይወዓዋዕ ከምዘሎ ኣቶ ስዩም የረድእ። ጽባሕ ንግሆ ኣብቲ ዝቕጽል ኵናት ኤርትራ እንታይ መርገጽን ተሳትፎን ክህልዋ እዩ? ህዝቢ ኤርትራ መርድእ እቶም ኣብ ዘይምልከቶም ኵናት ትግራይ ኣትዮም ጠፊኦም ዘለው መንእሰያት ደቁ ምስተነግረ እንታይ ክብል እዩ? እቲ መንግስቲ'ኸ እንታይ እዩ ክብል ንዓይ ናይ ብሓቂ እዩ ዝኸብደኒ። ክንዲ እተን ኣብ ዕርቀ ሰላም ዓሊለን ዘሊለን ዳሕራይ ብሞት ደቀን ዝነብዓን ዝጉህያን ኣዴታት ናይ ብሓቂ ሓዘን ይስመዓኒ ይብል ኣቶ ስዩም ተስፋይ። እሞ እቲ ፍታሕ እንታይ እዩ? ኵናት ሰብን ህይወትን ዝበልዕ፡ ወለድን ውሉዳትን ዘንብዕ፡ መጻኢ ዕድል መንእሰያት ዝርምስ፡ ሃብቲ ሃገር ዝድምስስ ኣዝኡ አዕናዊ ምዃኑ ካብዚ ሕጂ ኣብ ኵናት ተጸሚዱ ዘሎ ሕብረተሰብዚ ንላዕሊ ዝፈልጥ ከምዘየሎ ዝገልጽ በርሀ፡ እቶም ፖለቲካውያን መራሕቲ ካብ ውልቃዊ ትዕቢትን ትምክሕትን ርሒቖም ምእንቲ እቲ ነፍቅሮን ንሓልየሉን ኢና ዝብሉዎ ህዝቦም ክብሉ ናይ ኵናት ነጋሪት ኣብ ክንዲ ምህራም ርግእ ስኽን ኢሎም ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ቀሪቦም እቲ ሽግር ብዘተን ልዝብን ክፈትሑዎን ተሰማዕነት ዘለዎ ትካላት ማሕበረሰብን ጸለውቲ መንግስታትን ተሪር ጸቕጢ ክገብራ ይግባእ ክብል ርእይትኡ የቐምጥ። መራሕቲ እቲ ዞባ ኣብ መስኮት ተሌቪዥን እናኽቐርቡ መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪቃን ቀርኒ ኣፍሪቃን ሓቢረን ቁጠባዊ ምዕባለ ከረጋግጻ፡ ህዝበን ካብ ድኽነትን ድሕረትን ክገላገል ኩሉ ዓቕምታተን ኣብ ልምዓታዊ ወፍሪ ከውዕለኦ ከምዝግባእ እዮም ዝመኽሩ። እንተኾነ እዚ ዘቦ እዚ ንዝሓለፈ 60 ዓመታት ብውሕዱ ካብ ኵናት አዕሪፊ ኣይፈልጥን እዩ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ቅድሚ ሳልስቲ \"ሓምለ 9 - ኣብ ሳልሳይ ዓመቱ\" ብዝብል ኣርእስቲ ብ10 ሓምለ ኣብ ዘስፈሮ ሓተታ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ደድሕሪ ምኽታም ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዘካየዶ ቃለ-መሕትት ብምጥቃስ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ጠንቂ ናይዚ ዕድል ወለዶታት ዘኽሰረ ብድሆታት፡ ኣብ ዘመነ ዝሑል ኲናትን ድሕሪኡን፡ ብመገዲ መጋበርያ ስርዓታት ዝተሰርሓሉ ግሎባዊ ስትራተጂ ርእሰ-ሓያላን ምዃኑን፡ ድሕሪ ነዊሕን ዘሕዘንን ምዕራፋት ታሪኽ፡ ንቕሓት ናይዚ ህዝቢ ስለዝበረኸ ግን እዚ ዞባ ናብ ሓድሽ መድረኽ ክሰጋገር ዕድል ከምዝረኸበ ይጠቅስ። ኣቶ ስዩም ተስፋይ ግን \"ሰላም እንተዘየሎ ምዕባለን ብልጽግና የሎን። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ኵናትን ድሕረትን ሞትን ህልቂትን ክገላገል እንተኾይኑ፡ ብሕጊ ዝምእዘዝ ቅዋማዊ ደሞክራሲያ ስርዓት ተኺሉ ዜጋታቱ በብዓቕሞም ዘበርክትሉ ስደተኛታት ዝመለስሉ ዕድል ክፈጥር ይግባእ።\" ክብል ርእይቶኡ የቐምጥ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57691767"} {"headline":"ንበዓል ጀነራል ሰዓረ መኮንን ዝቐተለ ውልቀሰብ ንሕልፈት ክእሰር ተፈሪዱ","content":"ኢታማጆር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበረ ጀነራል ሰዓረ መኮንን ብጻዩ ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ዝቐተለ ንሕልፈት ክእሰር ተፈሪዱዎ። መጋብኣያ ጸረ ሽበራን ጉዳያት ሕገ መንግስትን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሎሚ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ፡ እቲ ገበን ፈጺሙ'ዩ ዝተባህለ ሓላዊ ጀነራል ሰዓረ መኮንን ሓለቓ ዓሰርተ መሳፍንት ጥጋቡ ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ክቕጻዕ ወሲኑ። እቲ ውልቀሰብ ቅድሚ ክልተ ዓመት ነዚ ገበን ክፍጽም እንከሎ ነዚ ጉዳይ ክከታተል ዝጸንሐ ሳልሳይ መጋብኣያ ቤት ፍርዲ ልደታ ሓለቓ ዓሰርተ መሳፍንት ገበነኛ ምዃኑ ብ27 ግንቦት 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ውሳነ ኣሕሊፉ ምንባሩ ይዝከር። በዚ መሰረት ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል እቲ ውልቀሰብ ንዝፈጸሞ ገበን ብሞት ክቕጻዕ ዝብል ሕቶ ኣቕሪቡ'ኳ እንተነበረ፡ ቤት ፍርዲ ግን ንሕልፈት ክእሰር ወሲኑ። እቲ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ እቲ ተኸሳሲ ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ድሕነት ህዝብን ክልል ኣምሓራ ብዝነበረ ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ብዝተመርሐ ገበን ተሳታፊ ከም ዝነበረን ንጀነራል ሰዓረ መኮንንን ምኽትሉ ዝነበረ ጀነራል ብርሃኑ ጁላን ንምቕታል ትእዛዝ ከም ዝተዋህቦን ጠቒሱ ነይሩ። 15 ግንቦት 2011 ዓ.ም ምሸት ሰዓት ሰለስተ [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ሓለቓ ዓሰርተ መሳፍንት ጥጋቡ ኣብ ባህርዳር ዝተፈጸመ መጥቃዕታ ምስ ሰምዐ \"ተኲሱ ንጀነራል ሰዓረ መኮንን ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ብምቕታል ክሃድም ተኸቢቡ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ\" ጉዳዩ ብቤት ፍርዲ ክርኣይ ጸኒሑ ክብል እቲ ዓቃቢ ሕጊ ገሊጹ። ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ርእሰ ምምሕዳርአ እቲ ክልል ዝነበረ ዶክተር ኣምባቸው መኮንንን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርኣን ተቐቲሎም'ዮም።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57632731"} {"headline":"ግጭት ትግራይ፡ ሃገራት ጉጅለ-7 ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ከምዘሻቐለን ገሊጸን","content":"ብጉጅለ-7 (G-7) ዝፍለጣ ብቁጠባ ዝማዕበላ ሃገራት ዓለም፡ በቲ ካብ ትግራይ ዝወጽእ ዘሎ ጸብጻባት ግህሰት ሰባዊ መሰላት \"ኣዝየን ከምዝተሻቐላ\" ገሊጸን። እቲ ብሪጣንያ፡ ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ዝርከብኦ ጉጅለ፡ እቶም ተፈጺሞም ዝብሃሉ ገበናት ክምርመሩን፡ ፈጸምቶም ክሕተቱን ጸዊዑ'ሎ። ኣብ ጎኒ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሰሊፎም ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝዋግኡ ዘለዉ ወተሃደራት ኤርትራ ክወጽኡ'ውን እተን ሃገራት ተማሕጺነን። ወተሃደራት ክልቲአን ሃገራት ሓያሎ ከበድቲ ምግሃስ መሰላት ፈጺሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ። ገለ ካብቶም ክስታት፡ ጃምላዊ ቅትለት ሲቪላውያን ሰባት፣ ጾታዊ ዓመጽ፣ ዝምታን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝተኻየደ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ይርከብዎም። ኤርትራ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝቐርብ ክስታት \"ስኑዕ'ዩ\" ብምባል ክትነጽጎ እንከላ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ድማ፡ እቲ ፈለማ ዝኾነ ዝተቐትለ ሲቪላዊ ሰብ የለን ዝብል ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ምግሃስ መሰላት ከም ዝተፈጸመ ኣብዚ ቀረባ እዋን ተኣሚኑ'ሎ። 'ቢቢሲ ኣይ' ዝተባህለ መደብ ቢቢሲ ብዘካየዶ መርመራ፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ 15 ብረት ዘይነበሮም ሰባት ጃምላዊ ቅትለት ከም ዝፈጸሙ ዝእምት መርትዖ ከም ዝረኸበ ጸብጺቡ'ሎ። እቲ ኲናት፡ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዝነበሩ መዓስከራት ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምኽፋቶም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ነቲ ኣብቲ ክልል ዝመርሕ ዝነበረ ክልላዊ መንግስቲ ህወሓት ንምእላይ ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ከፊቱ። ህወሓት ንኣስታት 29 ዓመት ንትግራይ ከመሓድር ምጽንሑ ይፍለጥ። ይኹን እምበር፡ ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምድያቡ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝነበሮም ርክብ ሻሕኪሩ ናብ ረጽሚ ዓሪጉ። ኣብቲ ኲናት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሲቪላውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉን፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ከም ዝተመዛበሉን ይግለጽ። \"ቅትለት ሲቪላውያን፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ኣልማማ ደብዳባት፡ ግዱድ ምፍንቓል ነበርቲ ትግራይን ኤርትራውያን ስደተኛታትን ንኹንን\" ክብል ጉጅለ-7 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣነጺሩ። \"ነቲ ዝብሃል ዘሎ ገበናት ንምፍላጥን፡ ነቶም ነቲ ግህሰታት ሰባዊ መሰላት ዝፈጸሙ ንምሕታትን፡ ናጻ፣ ግሉጽን ዘይሻራውን መርመራ ምክያድ ኣገዳሲ'ዩ\" ድማ ኢሉ። እቲ ብሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ናይተን ሃገራትን ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኣውሮጳን ዝወጸ መግለጺ፡ ብዛዕባ'ቲ \"እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ሓደጋ ስእነት መግቢ\" ከም ዝተሻቐለ ብምጥቃስ፡ \"ህጹጽ፡ ዘይተገደበን ሰብኣዊን\" ረዲኤት ናብቲ ክልል ክኣቱ ጸዊዑ። ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝተዋህበ፡ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ከምዝወጹ ዝሕብር መግለጺ፡ ብሓጎስ ከም ዝቕበልዎ ግን እቶም ሰበልጣን ገሊጾም ኣለዉ። ወተሃደራት ኤርትራ መዓስ ከም ዝወጽኡ ግን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብንጹር ኣይገለጸን። ኤርትራ'ውን ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ዝሃበቶ መግለጺ የለን። ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍሉይ ነቐፌታ ዘስዓበ'ዩ። ኣብ መንጎ ትግራይን መንግስቲ ኤርትራን ንነዊሕ እዋን ዝቐጸለ ቅርሕንቲ ምህላዉ ይፍለጥ። ክልቲአን ሃገራት መሪር ዶባዊ ኲናት ኣካይደን ብምንባረን፡ እቲ ካብ 1998 ኣትሒዙ ዝነበረ ምትፍናን ኣብ ሓምለ 2018 ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ስልጣን ምስ መጽአ'ዩ ኣኽቲሙ። ብሰንኩ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ሽልማት ኖበል ሰላም 2019 ምርካቡ ይዝከር። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ንዓሰርተታት ዓመታት ክቕጽል ዝኽእል ግዱድ ዕስክርናን ካልኦት ጠንቅታትን ካብታ ሃገር ከምዝሃድሙ ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረዲኤት ሕቡራት ሃገራት ናብተን ኣስታት 20 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝነበርወን መዓስከራት ሕጻጽን ሽመልባን በጺሖም ነይሮም። እንተኾነ ግን፡ ክልቲአን መዓስከራት ፍጹም ዓንየን፡ ኣብአን ዝነበረ መሳለጥያታት'ውን ኩሉ ዓንዩን ተዘሚቱን ከም ዝረኸብዎ ኣረጋጊጾም።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56619302"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ጥሜት የለን ኢሉ","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብታ ኲናት ዝቕጽለላ ዘሎ ክልል ትግራይ ጥሜት የሎን ኢሉ። ንሱ ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ ድምጹ ኣብ ዝሃበሉ ካብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣብ ዝመለሰሉ እዋን፡ ጸገማት ከም ዘሎን መንግስቲ ከዕርዮ ምኳኑን ተዛሪቡ። ኣብታ ክልል ንሻምናይ ወርሑ ብዝቕጽል ዘሎ ኲናት፡ ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ንሕጽረት መግቢ ተቓሊዑ ምህላው ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። ልዕሊ 350,000 ኣብ ናይ ጥሜት ኩነታት ከም ዝርከቡ'ውን እቲ ብምትሕብባር ሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ ዳህሳስ ይሕብር። ኣብዪ ንጋዜጠኛ ቢቢሲ ካትሪን ብያሩሃንጋ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ \"ኣብ ትግራይ ጥሜት የሎን፤ ሽግር ኣሎ፡ መንግስቲ ከኣ ክፈትሖ ይኽእል እዩ\" ኢሉ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓላፊ ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት ማርክ ሎውኮክ ኣብ ዕጽው ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ትግራይ ጥሜት ምህላው ገሊጹ ነይሩ። ንሱ ወሲኹ፡ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተሰለፉ ወተሃደራት ኤርትራ ጥሜት ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀሙ ምህላዎም ከሲሱ። ኤርትራ ግና ነቲ ክሲ ነጺጋቶ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ንህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኢትዮጵያ ንወተሃደራት ኤርትራ ደፊኣ ከም ዘይተውጽእ ድሕሪ ምግላጽ፡ \"ብሰላማዊ መገዲ\" ናብ መዕለቢ ንምብጻሕ ብሓባር ትሰርሕ ኣላ ኢሉ። ኣብቲ ብ10 ሰነ ዝወጸ ብምትሕብባር ሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ ዳህሳስ ኣብ ትግራይ 350,000 ህዝቢ ኣብ \"ሓደገኛ\" ናይ ጥሜት ኩነታት ከም ዝርከብ ክገልጽ እንከሎ፤ ኢትዮጵያ ነቲ ጸብጻብ ነጺጋቶ እያ። እቲ ዳህሳስ፡ ካልኦት ሓሙሽተ ሚልዮን'ውን ኣብ \"ቅልውላው\" ወይ \"ህጹጽ\" ኩነታት ከም ዘለው ይገልጽ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ረድኤት መግቢ ይዕድል ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ንሰብኣዊ ረድኤት ይኽልክል ኣሎ ንዝብል ጸብጻባት ነጺጉ። ነበርቲ ቃፍታ ሑመራ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ንጥሜት ተቓሊዖም ከም ዘለው ተዛሪቦም። ሓደ ሰብዓይ ብቴለፎን ኣብ ዘሃበና ሓበሬታ፡ ዘራእቲ ከም ዝተቓጸለን ከብቲ ከም እተዘምቱን ብምግላጽ፡ \"ዝብላዕ የብልናን\" ኢሉ። ብምኽንያት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝተወልዐ እቲ ጎንጺ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ብምፍንቓሎም ማሕረስ ተኾሊፉ ኣሎ። ወተሃደራት ሱዳን'ውን 'ኣብ ኢትዮጵያ ኣለው' ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምዃን ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ወተሃደራት ጎረቤት ሃገር ኤርትራ፡ ኮነ ኢልካ መግቢ ምኽልካል ብዝርከቦ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ትኽሰስ። ኤርትራ ግና ነቲ ክስታት ትነጽጎ። ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ወተሃደራት ኢትዮጵያን እቶም ካልኦት ወገናት'ውን ተመሳሳሊ ክስታት ይቐርበሎም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ፓርላማ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ወተሃደራት ኤርትራ \"ክወጽኡ እዮም\" እኳ እንተበለ መዓስ ከም ዝወጹ ግና ኣየነጸረን። ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ፡ ኣፈኛ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ምውጻእ ከም ዝጀመሩ ሓቢራ ነይራ። ኣብዪ ትማሊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ \"ውጹ ኢልና ኣይንደፍኦምን፡ ብሰላማዊ መገዲ ግና ንገብሮ ኣሎና፤ ርግጸኛ እየ ክኸውን እዩ\" ኢሉ። \"ነቲ ጉዳይ ብሰላማዊ መገዲ ክንዛዝሞ ምስ [ኤርትራ] ንሰርሕ ኣሎና ኢሉ። ንሱ ወሲኹ፡ ወተሃደራት ሱዳን'ውን ኣብ ኢትዮጵያ ምህላዎም ተዛሪቡ። እቲ ብሰኑይ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ፡ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር ንፈለማ እዋን ዝተኻየደ እዩ። ኣብዪ ነቲ ምስ ኤርትራ ን20 ዓመታት ዝጸንሐ ኩነተ ኲናት ብሰላማዊ መገዲ ብምዝዛሙ ኣብ 2019 ሽልማት ኖቤል ሰላም ተዋሂቡ እዩ። ኲናት ትግራይ ግና ነቲ ረኺብዎ ዝነበረ ዝና በሊሉዎ ኣሎ። ኣብ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ምርጫ ኣይተኻየደን።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57567317"} {"headline":"ቅልውላዉ ትግራይ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህወሓት ‘ተደራደሩ’ ዝብል ሕቶ ከምዘይቅበል ኣፍሊጡ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘቕርባሉ ዘለዋ 'ምስ ህወሓት ተደራደሩ' ዝብል ሓሳብ ከምዘይቅበል ኣፍሊጡ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ መንግስቲ ብቐጻሊ ምስ መሓዙት ሃገራት ምስራሕ ከም ዝቕጽል እኳ እንተገለጸ፡ ኢድ ንምጥዋይ ዝጽዕሩ መንግስታት ካብ ተግባሮም ክቑጠቡን ሉእላውነት ሃገር ከኽብሩን ኣለዎም ክብል ኣጠንቂቑ። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኢዶም የእትው ኣለው ዝበሎም መንግስታት ሃገራት ወጻኢ ብምኹናን: መሓዙት ሃገራት ኢትዮጵያ ዘላትሉ ጭቡጥን ኣጸጋምን ኩነታት ኣብ ክንዲ ምርዳእ እቲ ጸገም ከጋድዱዎ'ዮም ተራእዮም ክብል ከሲሱ። እዘን ብሽም ዘይጠቐሰን ሃገራት ብናይ ሓሶት ሚዲያታት ተመሪሖም ናብ ግጉይ ኣንፈትን መደምደምታን ከም ዝኸዱ ይጠቅስ። ስለዝኾነ ድማ መንግስቲ ኣብ ሓሙሽተ ጉዳያት መልእኽቱ ከሕልፍ ከም ዘድሊ ብምግላጽ፡ ብቐንዱ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝፍጸሙ ዘለው ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል፣ ምስ ህወሓት ስምምዕ ምቁራጽ ተዂሲን ምዝርራብን ዝምልከት መብርሂ ሂቡ ኣሎ። መንግስቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ዘለዎ ድልውነት ብምዝኽኻር ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ንማሕበረሰብ ዓለም ሙሉእ ምትሕብባር ብምግባር ኣብ ትግራይ ኣትዮም ክሰርሑ ኣፍቂዱ'ዩ ይብል። ይኹን'ምበር ሕጂ'ውን ሰብኣዊ ሓገዝ ዘብጽሑ ዓለማዊ ትካላት ናብቲ ክልል ክንበጽሕ ኣይክኣልናን ምባሎም ካብ ሓቂ ዝረሓቐ'ዩ ኢሉ። ስግኣት ድሕነት ብምህላዉ ገለ ከባቢታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ምቹኣት ከም ዘይኮኑን መንግስቲ ነዚ ከም ዝግንዘብ ዝሕብር እቲ መግለጺ፡ እንተኾነ ዓለም ለኻዊ ወሃብቲ ሓገዝ ተመሳሳሊ ቅሬታ ምቕራቦም ከም ዘሕዘኖ ይጠቅስ። ኣብ ዙርያ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝቐርቡ ቅርታታት ንምጽራይ ዓቃቢ ሕግን ፖሊስ ፌደራልን ዝመርሑዎ ጉጅለ መርመራ ከም ዝተጣየሰ፣ መርመራ ንምግባር ናብ ትግራይ ከም ዝተጉዓዘን ዝገልጽ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ውጽኢት እቲ መርመራ ወግዓዊ ኮይኑ'ዩ ኢሉ። በዚ መሰረት ገበነኛታት ተሓተትቲ ከም ዝኾኑ ሓቢሩ። ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ምስ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር መርመራ ከካይድ ተሰማሚዑ ምዃኑ ኣልዒሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕድመ ዝገበረሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ ዓርሱ ዝኸኣለ መርመራ ይገብር ከም ዘሎ'ውን ሓቢሩ። እንተኾነ ኢትዮጵያ ተገዳስነት ከም ዘይብላ ሃገር ምኽሳስን ፖለቲካዊ ጸቕጢ ንምሕዳርን ብምሕሳብ ዝግበር ድፍኢት ኣሎ ክብል ነተን ብሽም ዘይጠቐሰን ሃገራት ከሲሱ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ መግለጺኡ: ብፍላይ ጎንጺ ደው ክብል ኣብ ስምምዕ ንክብጻሕን ሃገራዊ ዘተ ክካየድን ብዝብል ካብ ሃገራት ወጻኢ ንዝቐርቡ ዘለው ሓሳባት ኮኒኑዎም ኣሎ። ሃገራዊ ምርድዳእ ንክፍጠር ምስ ስቪል ማሕበራት፣ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ሙሁራትን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ቐጻሊ ዘተ የካይድ ምህላው ብምግላጽ፡ ይኹን'ምበር መንግስታት ወጻኢ ምስ ህወሓት ዝርርብ ክጅመር ጸቕጢ ምግባሮም ተቐባልነት የብሉን ኢሉ። ህወሓት ካብ መዝገብ ሽበራ ክወጽእን ዝርርብ ክጅመርን ዝሓቱ መንግስታት ሕቶኦም ፈጺሙ ከም ዘይቕበል ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣፍሊጡ። \"ህወሓት ዘይሕጋዊ ጉጅለ እዩ። ሉእላውነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእተወን ሕገ መንግስትን ዝጥሓሰን ጉጅለ እዩ። በዚ ምኽንያት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ መዝገብ ሽበራ ክኣቱ ገይሩ'ዩ። ነዚ'ዩ መንግስቲ መሓዙት ሃገራት ጎንጺ ደው ኢሉ ምስ ህወሓት ተደራደሩ ዝብል ጻውዒት ፈጺሙ ኣይቕበሎን\" ይብል እቲ መግለጺ። መንግስታት ወጻኢ ሃገራት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኢዶም ምእታው ደው ከብሉ ኣለዎም ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ብፍላይ ሓይልታት ኣምሓራ ዝምልከት ዝለዓሉ ሓሳባት ከም ዘይቕበሎም ሓቢሩ። \"ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ሓይሊ ጸጥታን ሰራዊትን ኣብ ዝደለየቶ ግዝኣታ ክተውፍር ትኽእል'ያ። በዚ መገዲ'ዩ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ኣብ ትግራይ ተዋፊሩ\" ይብል።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57111437"} {"headline":"ምስ ስድራቤቶም ክጥርነፉ ዘይክኣሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ጀርመን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘለዉ ይዛረቡ","content":"ስደተኛታት፡ ካብቲ ኣብ ሃገሮም ዘጋጠሞም ወይ ከጋጥሞም ዝኽእል ሓደጋታት ብምህዳም ናብ ሓደ ዉሑስ ቦታ ወይ ሃገር ምእታዎም፡ መከራኦም ተወዲኡ ማለት ኣይኮነን። ንኹሉ ነቲ ኣብ ጉዕዝኦም ዘጋጥሞም ኣስጋእቲ ዕንቅፋታት ሓሊፎም ብሰላም ናብቲ ዝወጠንዎ ወይ ክኣትውዎ ዝኸኣሉ ናይ መወዳእታ መዓልቦኦም ምስበጽሑ'ውን ዝተፈላለዩ ብድሆታት ይገጥሞም። ፈለማ፡ ፈትዮም ጸሊኦም ምስ ዘይፈልጥዎ ቋንቋን ባህልን ናይቲ ዘዕቁቦም ሕብረተሰብ ክላለዩን ክመልኩን ይግደዱ። እዚ ኣብ ቁጠባዊን ማሕበራዊን መነባብሮም ወሳኒ ተራ ዘለዎ'ዩ። ኣብ ርእሲ'ዚ ኩሉ ብድሆታት ድማ፡ ብዛዕባ ስድራቤቶም፡ ደቆም፡ መጻምድቶም፡ ቤተሰቦም ምሕሳብን ምጭናቕን ዘይተርፍ ኩነት'ዩ። ብፍላይ፡ እቶም ሰብሓዳርን ቆልዑ ዘለዎምን፡ ምስ ቤተሰቦም ዝጥርነፉላ መዓልቲ ብሃንቀውታ ዝጽበዩዋን፡ ድቃስ ለይቲ 'ትኽልኦምን ጉዳይ'ያ። ጥርናፈ ቤተሰብ ስደተኛታት ዝሳለጠሉ እዋን ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይፈላለ'ዩ፡ ኣብ ገለ ቅልጡፍ ኣብ ካልእ ድማ ኣዝዩ ይድንጒ። ኣብ ጀርመን ዝርከቡ፡ ልዕሊ 1000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ግን፡ \"ብፍሉይ\" ጉዳይ ጥርናፈ ስድራቤታቶም ዓመታት ከምዝወስድን፡ ብሰንኩ ድማ ኣብ ከቢድ ስነኣእምሮኣዊን ቁጠባውን ቅልውላዉ ከምዝኣተዉ ይዛረቡ። ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት እንታይ'ዩ ኣጋጢምዎም ዘሎ? ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን እቲ ኣጋጢምዎም ዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ ካብ ኣብያተ ፍርዲ ክሳብ ኣብ ጎደናታት ሰላማዊ ሰልፍታት ብምክያድ ጥርዓናቶም ከቕርቡ ጸኒሖም'ዮም። ኤርትራዊ ኪኢላ ሕጊ፡ ዶ\/ር ዳኒኤል ረዘነ መኮነን ምስ ስጳኛዊት ብጸይቱ ሳራ ፓላሲዮስ ኣራፒለስን ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓደ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ኣዳልዮም። እቲ ብምትሕብባር 'ኢኳል-ራይት'ን 'ኢንተርናሽናል ረፊዩጂ ኣሲስታንስ ፕሮጀክት'ን ዝተባህሉ ተጣበቕቲ ጉጅለታት ዝወጸ ጸብጻብ፡ ሰብመዚ ጀርመን ዝጠልብዎ ወግዓዊ ናይ መንነት ሰነዳት ሓደ ካብ ማሕንቖታት መስርሕ ምጥርናፍ ስድራቤታት ምዃኑ የነጽር። ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ፡ ከም ፓስፖርት፡ ካርድ መንነትን ምስክር ወረቐት መርዓ፡ ጥምቀትን ልደትን ዝበሉ ሰነዳት ከቕርቡ ከምዝሕተቱ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ። \"ኤርትራ ብግቡእ ዝሰርሕ ስርዓተ-ሰነድ የብላን። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ፡ ብዙሓት ምዕራፋት ሂወት (ከም ልደትን መርዓን) ብዘይ ወግዓዊ ሰነድ ይተርፉ\" ክብል 'ኢኳል-ራይትስ\" ይገልጽ። ኣብታ ሃገር ወረቐት ምስክር ልደት ብስሩዕ ከምዘይወሃብን፡ እቲ ዝወሃብ ንባዕሉ ሓደ ከምዘይኮነን፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ከምዝፈፈላለን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ። \"ከም ናይ ልደትን ካልኦት ኣገደስቲ ሰነዳት ምዕራፋት ሂወትን ናይ ፊደላት ጌጋታት ምርካብ'ውን ዘይልሙድ ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ናይ ምድልዳል [standardisation] ጸገም ልሙድ ስለዝኾነ ኣብ ኤርትራ\" ድማ ይብል። ኪኢላ ዓለምለኻዊ ሕግን ሰባዊ መሰላትን ዝኾነ ዶ\/ር ዳኒኤል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ዕላማ ናይቲ ጸብጻብ፡ ጥርዓናት እቶም ስደተኛታት ኣብ ኣብያተ-ፍርዲ ብምቕራብ ንጥብቅናን ምጉትን ከገልግል ትጽቢት ከምዘሎ ይገልጽ። ካብ ሃገሮም ሃዲሞም ዝወጹ ስደተኛታት ሰነዳዊ መርትዖታት ከቕርቡ ዝኽእልሉ መንገዲ ጸቢብ ምዃኑን፡ እቲ ዝቐርበሎም ዘሎ ቅጥዕታት ከኣ ርትዓዊ ከምዘይኮነን ይዛረብ። \"ንሓደ ካብ ሃገሩ ሃዲሙ ዝመጸ ስደተኛ: (ኤርትራውያን መብዛሕትኦም ከምኡ ስለዝኾኑ ማለት'ዩ)፡ ካብቲ ናይቲ ሃዲሙ ዝመጸሉ ሃገር ኤምባሲ ከይዱ፡ ወረቐት ሰነድ ወይ ካልእ ነገራት ከምጽእ ክትሓቶ ቅቡል ኣይኮነን። \"ምኽንያቱ ናብታ ዝሃደምካላ ሃገር ተመለስ ኢኻ ትብሎ ዘለኻ፡ ወይ ከኣ ናብ ተደናጋጽነትን ምሕረትን ናይቲ ንዕኡ [መንግስቲ] ዝውክል ኤምባሲ ተመለስ ኢኻ ትብሎ ዘለኻ። እዚ ድማ፡ \"ምስቲ ንመሰል ስደተኛታት ዝምልከት ኣህጉራዊ ሕጊ ዝራጸም'ዩ\" ዝብል ዶ\/ር ዳኒኤል ረዘነ፡ ናብ ናይ ኤርትራ ኤምባሲ ኪዱ ምባል ነቶም ስደተኛታት \"ሓደጋታት ኣለዎ\" ብምባል ይነቅፍ። ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ንቢቢሲ ትግርኛ ብጽሑፍ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ጉዳያት ምጥርናፍ ስድራቤት \"በብሓደ ዝረአ'ዩ\" ድሕሪ ምባል፡ ንመንነትን ውልቀሰባትን ስድራቤቶም ንምርግጋጽ፡ ሰነዳት ምቕራብ ሕጊ ዘገድዶ'ዩ ኢሉ። \"ናይ ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢን፡ ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ኤምባሲታትን፡ ኤርትራውያን ኣባላት ስድራቤት ናይቶም ኣብ ጀርመን ዘለዉ ስደተኛታት ዘጋጥሞም ብድሆታት ይግንዘቡ'ዮም። \"ኣገዳስነት ስድራቤታዊ ጥርናፈ ብምርዳእ፡ ሕጊ ብዘፍቅዶ መጠን ክንድግፍ ንፍትን ኢና። መጠን ናይ ክቐርብ ዘለዎ ናይ መርትዖታት ኣማራጺታት ኣብ ኩነታት ናይ ነፍሲ ወከፍ ጉዳይ ዝምርኮስ'ዩ\" ይብል ኣፈኛ ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ሩበን ሽዋርዝ። እንተኾነ ግን፡ ብሰንኪ'ቲ ተሪር ፖሊሲ መንግስቲ ጀርመን ስድራቤታት ተበታቲነን ተሪፈን ከምዘለዋ፡ እቲ በቶም ናይ ሕጊ ኪኢላታት ዝተዳለወ ጸብጻብ ይምስክር። ምድንጓይ ዘስዓቦ ጭንቀትን ጸቕጥን እቲ ኩነታት ኣብ ሂወት ብዙሓት ካብቶም ምስ ስድራቤቶም ክጥርነፉ ጠለባት ዘቕረቡ'ሞ፡ ዘይሰለጦም ስደተኛታት ከቢድ ጸቕጢ ፈጢሩ ይርከብ። ገብረእግዚኣብሄር ጽገ (ገሬ) ሓደ ካብዞም ናይ ጥርናፈ ስድራቤት ጸገም ኣጋጢምዎም ዘሎ ስደተኛታት'ዩ። ኣብ 2016 ዕቑባ ተዋሂብዎ፡ ድሕሪ 3 ወርሒ ድማ፡ መስርሕ ጥርናፈ ስድራቤት ጀሚሩዎ፡ እንተኾነ ግን፡ ከይሰለጦ 5 ዓመታት ኣሕሊፉ'ሎ። ነቲ መስርሕ ንምስላጥ ዝምልከቶም ሰብመዚ ጀርመን፡ ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ብምኻድ፡ 2 ካብ ሚእቲ ከፊልካ፡ ኣድላዪ ሰነዳት (ፓስፖርትን ናይ ክብሪ መዝገብን) ስድራቤቱ ኣምጽእ ከምዝበልዎ ሓቢሩ። እንተኾነ ግን፡ ናብቲ ዝሃደመሉ መንግስቲ ክኸይድ ፍቓደኛ ከምዘይኮነ ከምዝሓበሮም ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ብዓልቲ ቤቱ ምስ ክልተ ኣዋልድ ደቆም፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዘላ ዝገልጽ እቲ መንእሰይ ስደተኛ፡ ናፍቖቱ ንምውጻእ ናብ ኢትዮጵያ ክመላለስ ተገዲዱ'ዩ ጸኒሑ። ደቁ \"ጸሊእካና እምበር፡ እንታይ ኴንካ ዘይትወስደና፡ ምሽ ካልኦት ይኸዳ ኣለዋ\" ክብለኦ ከለዋ ስምዒቱ ከምዝትንከፍ'ውን ብምረት ይገልጽ። ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ከምዘስግኦ ዝዛረብ ገብረእግዚኣብሄር፡ ኤርትራውያን ይግፈፉ ኣለዉ ዝብል ጸብጻብ ከምዝበጽሖን ብዛዕባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዉ ሰበይቱን ደቁን ሻቕሎት ከምዘለዎ ይገልጽ። መንግስቲ ጀርመን ነቲ ኩነታት ተረዲኡ \"ቅልጡፍ ፍታሕ\" ክገብረሎም ድማ ይምሕጻን። \"ኩሉ'ዩ ኣንጻርና ኮይኑ ዘሎ ሕጂ፡ መንግስቲ ጀርመን ኣንጻርና ኮይኑ'ሎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንጻርና ኮይኑ'ሎ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣንጻርና ኮይኑ'ሎ\" ብምባል ምረቱ ይገልጽ። ሰብመዚ ጸጥታ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ቀይዲ ከምዘእትዉ ጸብጻባት ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ። ክብገስ ከሎ፡ ናብተን ስድራቤቱ ቀልጢፈን ከምጽኣሉ ይኽእላ'የን ዝበለን ሃገራት ኣውሮጳ ክኸይድ'ኳ ውጥን እንተነበሮ፡ ትምኒቱ ክሰምረሉ ስለዘይክኣለ ኣብ ጀርመን ዕቑባ ክሓትት ተገዲዱ። \"ተስፋ እገብር፡ እዛ ነብሰይ ዕረፍቲ ረኺባ ክርእያ፡ እተን ደቀይ ካብቲ ዘሎ ሽግር ወጺአን፡ ኣብዚኣ ምሳይ ተሓቚፈን ክርእየን ተስፋ እገብር\" ብምባል ድማ፡ ሕልሙ ጋህዲ ክኸውን ይምነ። ስለምንታይ ካብ ሃገሩ ከምዝወጸ ክዛረብ እንከሎ፡ \"ወተሃደር ኮይነ ዕድመይ ኣብ ባርነት ከሕልፎ ኣይደለኹን . . . ዝገርመካ፡ 24 ግንቦት፡ መዓልቲ ናጽነት'የ ካብ ኤርትራ ወጺአ። ኣብታ ወለደይ ዝወደቑላ ሃገረይ ክነብር ኣይተዓደልኩን\" ይብል። ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበረሉ እዋን \"ከም ሰብ መሰል የብልካን፡ ግቡእካ ግበር ጥራይ ኢኻ ትብሃል። ሐራይ፡ ሰብ ኣብ ሃገሩ ግቡኡ ክገብር ጽቡቕ'ዩ። መሰል ከኣ ክሓትት ንቡር'ዩ። \"መሰል ትረኽበሉ እንድሕር ኮይኑ፡ ዋላ መስዋእቲ ክትከፍለሉ ትኽእል ኢኻ። ግቡእካ ጥራይ ትገብር ትብሃል እንተዄንካ፡ መሰል እንተ ሓቲትካ ድማ ብዓይኒ ጥርጣረ ትረአ እንተዄንካ ግን ባርነት ተሕልፍ ኣለኻ ማለት'ዩ።\" በራኺ (ንድሕነቱ ስሙ ዝተቐየረ) ካልእ ተመሳሳሊ ጸገም ዘለዎ ስደተኛ ኮይኑ፡ ኣብ 2014 ናብ ሱዳን ድሕሪ ምውጽኡ፡ ምድረበዳ ሳሃራ ኣቋሪጹ ናብ ሊብያ ኣትዩ ንኣዋርሕ ተዳጒኑ። ጉዕዝኡ ብምቕጻል ከኣ ካብቶም ንማእከላይ ባሕሪ ብምስጋር ናብ ኣውሮጳ ዝኣተዉ \"ውጻእ መዓት\" ዝብሃሉ ስደተኛታት'ዩ። ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዓመት ናብ ጀርመን ብምእታው ዑቕባ ከምዝሓተተ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ስለምንታይ ካብ ኤርትራ ከምዝወጸ ምስተሓተተ ድማ፡ \"ወትህድርና\" ዝብል ሓጺር መልሲ'ዩ ኣቐዲሙ። ናይ በራኺ ካብ ብዙሓት ስደተኛታት ብጾቱ ፍልይ ዘብሎ ግን ኣሎ። ንሱ፡ ኣብቲ ንናጽነት ኤርትራ ዝተኻየደ ቃልሲ፡ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ዝነበረ ተጋዳላይ ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ። ዋላ'ኳ ኣብቲ ናይ ሽዑ ኲናት መውጋእቲ እንተጋጠሞ፡ ክሳብታ ካብ ሃገሩ ዝወጸላ እዋን ኣብ ሰራዊት'ዩ ነይሩ። ኣብ 2016 ከኣ ዑቕባ ተዋሂብዎ፡ ናብራ ስደት ሓደ . . . ኢሉ ተተሓሒዙዎ። ብድሕሪኡ ምስ ስድራኡ ክጥርነፍ ዘቕረቦ ሕቶ ግን ክሳብ ሎሚ ኣይሰለጦን። \"ስድራይ ኣብ ኢትዮጵያ ኣለዉ። ቅድሚ ምውጽኦም ግን፡ ኣብ 2017 ሰበይተይ ኣብ ሓሽፈራይ ተኣሲራ ነይራ\" ይብል። መዳጎኒ ሓሽፈራይ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑሉ፡ ኣብ ከባቢ ከተማ ሓጋዝ (ሓጋድ) ዝርከብ መዓስከር'ዩ። ብተሌፎን ምስ ደቁ ከምዝራኸብ ዝዛረብ በራኺ፡ \"ናብቲ ዘለኻዮ ሃገር ኢኻ ክትወስደና ስለዘይደለኻ. እምበር . .ናይ ስዊዝ፡ ናይ ስዊድን፡ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ድኣ ኣትዮም እንድዮም. . . ምሳኻ ክንከውን ስለዘይደለኻ ኢኻ 'ምበር ኢሎም ምዝራብ ይኣብዩኒ\" ክብል ንዘለዎ ስቅያት ይገልጽ። \"መንግስቲ ጀርመን፡ ናይቶም ቆልዑ ናይ ክብሪ መዝገብ [ካብ ኤርትራ] ኣምጽኡ ኢሉ ስለዘሸገረና፡ ንሱ ኸኣ ብቐሊሉ መንገዲ ክንረክብ ስለዘይክኣልና፡ ዓጽዩና'ሎ ማለት'ዩ\" ዝበለ እቲ ስደተኛ፡ ዘቕረብዎ ናይ ክታበት ካርድታትን ናይ ቃል-ኪዳን ሰነድን ክቕብልዎም ከምዘይክኣሉ'ዩ ዝዛረብ። ኣብ ክንድኡ ናይ መርዓ ምስክር ወረቐት ከቕርቡ ከምዝተሓተቱን፡ እንተኾነ ግን \"እዚ ኸኣ ዘይከውን'ዩ፡ ናብቲ መንግስቲ ኬድካ ናይ ጣዕሳ ምላእዶ ከምዚዶ ከምዚዶ ስለዝብሉ፡ ንሕና ኸኣ ክንከይድ ስለዘይደለና ናብኡ፡ ናይ ጣዕሳ ንመልኣሉ መንገድታት የብልና፡ ከነምጽእ ኣይንኽእልን ኢና ኢልናዮም\" ይብል። \"ምስ ኣንስትናን ደቅናን ክንባተኽ ቅሩብ'ዩ ተሪፉና ዘሎ፡ ብሰንኪ ምድንጓይ። ብዙሕ ሰብ ኣብ ጭንቀትን ኣብ መከራን'ዩ ወዲቑ ዘሎ። ዘስደምም'ዩ ወሪዱና ዘሎ ንሕና።\" ሓደ ካብቶም ስደተኛታት፡ ምስ ብዓልቲቤቱ ክጥርነፍ ዘቕረቦ ሕቶ መልሲ ብሰንኪ ዘይምርካቡ፡ ኣብ ፍጹም ስነኣእምሮኣዊ ጸገም ከምዝወደቐን፡ ብዓልቲቤቱ ናብ ኤርትራ ክትምለስ ከምዝተገደደትን፡ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘሎን እዞም ስደተኛታት ይምስክሩ። ኣማሲኡ'ኸ እቲ ፍታሕ እንታይ'ዩ ክኸውን? እቶም ዓቕሎም ዝጸበቦም ስደተኛታት፡ ሰማዒ ንምርካብ ብውልቅን ብእኩብን ዘይፈተንዎ ነገር ከምዘየለ'ዮም ዝዛረቡ። ጉዳያቶም ናብ ኣብያተ ፍርዲ ካብ ምውሳድ ሓሊፎም ሰላማዊ ሰልፊ ብምውዳብ፡ ጥርዓናቶም ከቕርቡ ፈቲኖም። ብዙሓት ብምዃኖም ከኣ፡ ነቲ ኣጋጢምዎም ዘሎ ብድሆ ፍታሕ ንምርካብ፡ ሓደ ነቲ ዘካይድዎ ንጥፈታት ንምውህሃድ ዝሰርሕ ማሕበር ከምዘለዎም እዞም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ስደተኛታት ገሊጾም። እዚ ማሕበር ጥርናፈ ቤተሰብ ኣብ ጀርመን፡ ብተበግሶ ሓንቲ ኤርትራዊት ስደተኛ ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ኣስታት 1600 \"ብሽግሮም ዝተራኸቡ\" ኣባላት ከምዝውክል ኣባል ኮሚቴ ዝኾነ ገብረእግዚኣብሄር ንቢቢሲ ሓቢሩ። \"ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ኣራኣእያ ዘለና ሰባት ኢና። ግን፡ ማሕበራዊ ሽግርና ስለዝበርትዓና፡ ቁሊሕ ዝብለና መንግስቲ ስለዘይረኸብና፡ ንጉዳይ ኤርትራውያን ትሕቲ ባይታ ስለዝጸቐጦ ሓፍ ኢልና ተሲእና\" ይብል። ከምኡ ብምግባሮም ጉዳዮም ብተጣበቕቲ ጉጅለታት ኣቓልቦን ኣፍልጦን ከምዝረኸበን፡ ሓደ ሓደ ክሰልጦም ከምጀመረን'ውን ይሕብር። እንተኾነ ግን፡ ሕጂ'ውን ናይቶም ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ስደተኛታት ጉዳያት ኣብ ኤምባሲታት ጀርመን ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ተታሒዙ ከምዘሎ'ዮም ዝገልጹ። ዶ\/ር ዳኒኤል፡ እቲ ዘካየድዎ መጽናዕቲ ኣብ ምፍታሕ እቲ ጸገም ኣበርክቶ ክህልዎ ተስፋ ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ \"ንዓና ግን ዘገድሰና፡ መሰል ናይ ወገናትና፡ ኣሕዋትና፡ ኣሓትና ክጓዳደል ከሎ፡ ትም ኢልና ኣይንርእን፡ ከምኡ ስለዝኸነ ኸኣ ብዓቕምና ዘፍቅዶ ንገብር\" ኢሉ። ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን እንታይ'ዩ? ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝብልዎ፡ ካብ ኤርትራ ክሃድሙ ዘገደዶም እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ \"ገደብ-ኣልቦ\" ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና'ዩ። እቲ ኣብ 1994 ዝጀመረ ን18 ኣዋርሕ ጥራይ ዝጸንሕ ሃገራዊ ኣገልግሎት ድሕሪ'ቲ ኣብ 1998 ዝተወልዐ ዶባዊ ኲናት ኤርትራን-ኢትዮጵያን ክሳብ ሕጂ \"መወዳእታ-ኣልቦ\" ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎ ተጣበቕቲ መሰላት ይሕብሩ- ዋላ'ኳ ኣብ መንጎ ሓሓሊፉ ናይ ምጥያስ ስጉምትታት ይውሰድ እንተነበረ። መንእሰያት ኤርትራ፡ ብገለ ምኽንያት ናብ ሲቪላዊ ኣገልግሎት እንተ ዘይተመሊሶም ወይ ዘጣይሶም ምኽንያት (ስንክልና፡ ሕዱር ሕማም፡ ማህደረ-ትምህርቲ፡ ወዘተ) እንተ ዘይረኺቦም፡ ንእስነቶም ኣብ ውትህድርና ከምዝሓልፍ ዝተወደአ ነገር'ዩ። ኣብ ሓምለ 2018 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ኣብ መንጎአን ንኣስታት ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ተጻብኦታትን ኩነተ-ኲናትን መወዳእታ ዝገበረሉ \"ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን\" ምስ ተፈረመ፡ ጉዳይ \"ገደብ-ኣልቦ\" ዕስክርናን ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ መፍትሒ ክረክብን ናብ ንቡር (18 ኣዋርሕ) ክምለስን ዓቢ ተስፋ ተነቢሩሉ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ዋላ'ኳ ገለ ሰበስልጣን ምምሕያሽ ክግበር ምዃኑ ኣሚቶም እንተነበሩ፡ መንግስቲ ኣብቲ ጉዳይ ዘለዎ ፖሊሲ ንምቕያር ዝኾነ ስጉምቲ ክወስድ ኣይተራእየን። ኣብዚ ቀረባ እዋን'ውን፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ምእታዉ፡ መንሰያት ኤርትራ ካብ ዕስክርና ናጻ ክኾንሉ ዘሎ ተኽእሎ መሊሱ ኣጽቢብዎ'ሎ። ኣብዚ እዋን'ዚ ድማ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ኤርትራ ከም ወተሃደራትን ስደተኛታትን ኣብ ኢትዮጵያ ይርከቡ። ኣብ መቓን እቲ ግዱድን \"ገደብ-ኣልቦን\" ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ዝፍጸም ዝተፈላለዩ ምግሃስ መሰላት ከምዘሎ'ውን ዶ\/ር ዳኒኤል ረዘነ ገሊጹ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንኣስታት 30 ዓመታት፡ ብዘይ ቅዋምን ሃገራዊ ምርጫን ነታ ሃገር ይመርሓ ኣሎ። ሕቡራት ሃገራት ዝርከብዎም ተጣበቕቲ መሰላት፡ መንግስቲ ኤርትራ ዝተወደበን ሰፊሕን ምግሃስ መሰረታዊ ሰባዊ መሰላት ከምዝፈጸመ ክኸሱ ምጽንሖም ይፍለጥ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራ፡ ትካላት ስለያ ምዕራባውያንን ዞባውያንን ሃገራት ዝወደብዎ ምዃኑ'ዩ ክኸስስ ጸኒሑ። ይኹን እምበር ዶ\/ር ረዘነ፡ ብዙሓት ስደተኛታት ከምዘዘራረበ ብምጥቃስ \"ተታሊለ ወጺአ ዝብለኒ ዋላ ሓደ ሰብ ኣየረኸብኩን\" ብምባል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምጉት'ዩ ክብል ይነጽጎ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56910744"} {"headline":"ቅልውላዉ ትግራይ፡ ኣብዪ ዝኣወጆ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦታትን ዘይተመለሱ ሕቶታትን","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ዝነበረ ህወሓትን እናኸረረ ዝኸደ ምትፍናንን ወጥርን ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ምምርሑ ይዝከር። ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ነቲ ኣብቲ ክልል ሰፊሩ ዝነበረ ብሰሜን እዝ ዝፍለጥ ዝዓበየ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ድሕሪ ምጥቅዖም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ብ4 ሕዳር 2020 ኣብ ልዕሊኦም ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ። ሓይልታት ፈደራል ብዝተፈላለየ ኣንፈት ድሕሪ ዝኸፈትዎ መጥቃዕትታት ድማ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ንከተማ መቐለ ክቆጻጸርዋ ኪኢሎም። ኣብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ምትሓዝ ናይታ ከተማ፡ እቲ ዝወሰዶ መታሃደራዊ ስርሒት ብዓወት ከምዝተዛዘመ'ኳ እንተገለጸ፡ እቲ ኲናት ግን እናሓየለ'ዩ ከይዱ። መራሕቲ ህወሓትን ናይቲ ንሱ ዝመርሖ ዝነበረ ክልላዊ መንግስትን ካብታ ርእሲከተማ ናይቲ ክልል ዝኾነት መቐለ ኣንሳሒቦም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ሻምናይ ወርሖም፡ ትማሊ ሰኑይ 28 ሰነ 2020 ናብታ ከተማ ተመሊሶም ኣለዉ። ብሰኑይ ኣብታ ከተማ ዝነበረ ኩነታት ሃንደበት ክቀያየር ከምዝጀመረን፡ ሓይልታት መንግስቲ ንብረቶም ጠቕሊሎም ክወጹ ዝርኣዩ ነበርቲ እታ ከተማ ኣብ ወጥሪ ኣትያ ምንባራ ንቢቢሲ ሓቢሮም። ኣጋ ምሸት ምስኮነ ግን፡ እቶም ኣብ ስግኣት ዝጸንሑ ነበርታ፡ ሓይልታት ትግራይ ናብታ ከተማ ክኣትዉ ምስተዓዘቡ፡ ባንዴራ ናይቲ ክልል እንዳበልበሉ፡ ናብ ጎደናታት እታ \"ሰሜናዊት ኮኾብ\" ዝብል ቅጽል ስም ዘለዋ ከተማ ብምውጻእ ሓጎሶም ክገልጹ ጀሚሮም። ኣብቲ እዋን፡ እታ ከተማ ካብ ምቁጽጻር ሰራዊት ፈደራል ከምዝወጸት ሓደ ብዓል ስልጣን መንግስቲ ከምዘረጋገጸ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ፡ ኤ-ኤፍ-ፒ ገሊጹ ነይሩ። እቲ ስሙ ዘይተገልጸ ብዓልስልጣን ከምዝበሎ፡ ሓይልታት ትግራይ \"ብኹሉ ኣንፈት\" ነታ ከተማ ድሕሪ ምኽባቦም፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ናይቲ ክልል ካብታ ከተማ ክወጽእ ከምዝተገደደ ብምጥቃስ፡ \"ኩሎም ገዲፎማ ወጺኦም ኣለዉ። እቶም ዝደሓሩ [ሰኑይ] ምሸት ወጺኦም\" ክብል ተዛሪቡ። ዋላ'ኳ ሓይልታት ፈደራል ካብ መቐለን ከባቢኣን ከምዝወጹ እንተተገልጸ፡ ኣካል ናይቲ ኲናት ዝኾኑ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ካብቲ ክልል ብዛዕባ ምውጽኦም ግን ዛጊት ብንጹር ኣይተፈልጠን። ነቲ ብሓይሊ ካብ ለልጣኑ ዝተኣልየ ብህወሓት ዝምራሕ ክልላዊ መንግስቲ ተኪኡ ነቲ ክልል ከመሓድር ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝተመዘዘ ግዝያዊ ምምሕዳር \"ሰብኣዊነት መሰረት ብዝገበረን ተወሳኺ ጉድኣት ብዘየኸትልን ኣገባብ\" ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ንፈደራላዊ መንግስቲ ጠለብ ከምዘቕረበ ሓላፊ ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዶ\/ር ኣብርሃም በላይ ትማሊ ምሸት ኣፍሊጡ። ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ድማ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ነቲ ሕቶ ከምዝተቐበሎን፡ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ዝትግበር በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ከምዝገበረን ገሊጹ። ምቁራጽ ተጻብኦታት እቲ ንኣስታት ሸሞንተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ኣብቲ ክልል ዓጸቦን ሰፊሕ ምፍንቓልን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ምስዓቡ ጸብጻባት ይገልጹ። ሰብመዚ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላት ረዲኤትን፡ ናብቲ ዓጸቦ ዘጋጠሞን ተጸባዪ ረዲኤት ዝኾነን ህዝቢ ህጹጽ ሓገዝ ንክበጽሕ ኩሎም ተዋጋእቲ ወገናት ተጻብኦታት ከቋርጹ ክጽውዑ ጸኒሖም'ዮም። እንተኾነ ግን፡ መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ፡ \"ምስ ገበናዊ ጉጅለ ምዝርራብ ከምዘይህሉ\" ክገልጽ ጸኒሑ። ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንህወሓት \"ኣሸባሪ\" ጉጅለ ተባሂሉ ክምዝገብ ድሕሪ ምውሳኑ ድማ፡ ናይ ዝርርብ ይኹን ምቁራጽ ተጻብኦታት ዕድል መሊሱ ጸቢቡ። ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ግን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ከቢድ ኲናት ይካየድ ከምዝነበረ ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጹ ጀሚሮም። ክልቲኦም ወገናት ድማ፡ እቶም ጸብጻባት ሓቂ ምዃኖም ኣረጋጊጾም'ዮም። ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝፈነውዎ \"መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ\"፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት መንግስቲ ከምዝቐተሉን ከምዝማረኹን ክገልጹ እንከለዉ፡ ብወገን መንግስቲ ግን እቲ ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ንውሑዳት መራሕቲ ሓይልታት ትግራይ ንምህዳን ዝካየድ ዝነበረ ምዃኑ'ዮም ገሊጾም ነይሮም። መንግስቲ ከምዝብሎ፡ እዚ ትማሊ ዝተወስደ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ናይ ምግባር ስጉምቲ፡ ሓረስቶት ክረምቲ ከይሓልፎ ኣ መት ሕርሽኦም ክገብሩን ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ተጸበይቲ ንክበጽሕን ዝዓለመ'ዩ። እንተኾነ ግን፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ካብታ ክልል ጠቕሊሎም ኣብ ዝወጽሉ እዋን ዝተኣወጀ ምቁራጽ ተጻብኦታት ትርጉም የብሉን ክብል ወኪል ናይቶም ሓይልታት ኣምባሳደር ፍስሃ ኣስገዶም ንቢቢሲ ገሊጹ። ንሱ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ኣብ ምዕራባዊ ትግራይ ቦታታት ተቖጻጺሮም ብምህላዎም፡ ምስኦም ዝግበር ውግእ ይቕጽል ምህላዉ ተዛሪቡ። ብኻልእ ወገን፡ ናይቶም ሓይልታት ኣፈኛ ምዃኑ ዝንገረሉ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንሲ-ኤን-ኤን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓይልታቱ ወፍርታቶም ክቕጽሉ ምዃኖም ኣፍሊጡ። \"ዕላማና ዓቕሚ ጸላኢ ንምድኻም'ዩ። ትግራይ ካብ ሓይልታት ጸላኢ ናጻ ክሳብ ትኸውን፡ ስርሒታትና ደው ኣይከነብልን ኢና። ዘድሊ ኩሉ ክንገብር ኢና\" ክብል ኣጠንቂቑ። እቲ በይናዊ ናይ ምቁራጽ ተጻብኦታት ስጉምቲ፡ ካብቲ ካልእ ወገን ተቐባልነት እንተ ዘይረኺቡ፡ ኲናት ደው ከብል ኣይክልን ዝብል ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ። ሰብኣዊ ቅልውላዉ ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘካየዶ ገምጋም፡ እዚ ዝመጽእ ዘሎ ክረምቲ ቅድሚ ምእታዉ፡ ብህጹጽ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ሓገዝ እንተዘይበጺሑ፡ እቲ ኣብ 1985 ዝተራእየ ከቢድ ዓጸቦ ክኽሰት ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ነይሩ። ኣመሪካ፡ ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት ዓለምለኻውያን ትካላትን ብወገኖም፡ \"ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት\" ይስርሓሉ ኣሎ ዝብል ክሲ ብምቕራብ፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ብዘይዝኾነ ገደብ ናብቲ ክልል ክኣቱ ክጽውዑ ጸኒሖም'ዮም። እቲ ጻዕርታት ክዕወት ግን፡ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበርን፡ ሓይልታት ኤርትራ ካብቲ ክልል ክወጹን ክምሕጸኑ ጸኒሖም። እቲ ኲናት ኣብቲ ክልል ቅትለት፣ ክሳብ ዓጸቦ ዝበጽሐ ጥምየት፣ ሰፊሕ ምፍንቓልን ስደትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ምስዓቡ ይፍለጥ። ትካላት ረዲኤት ከምዝብልዎ፡ ኣስታት 2 ሚልዮን ካብ መንበሪኦም ክፈናቐሉ እንከለዉ፡ ካልኦት ልዕሊ 60 ሽሕ ካብቲ ግጭት ዝሃደሙ ድማ ኣብ ሱዳን ተዓቚቦም ይርከቡ። ልዕሊ 5 ሚልዮን ድማ ተጸበይቲ ከምዝኾኑ ይፍለጥ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብቲ ንኣስታት 8 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ሞይቶም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት። ጸቕጢ ማሕበረሰብ ዓለም ዝተፈላለዩ ወገናት፡ ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ሓይልታት ተጻብኦታት ደው ከብሉን፡ ተዘራሪቦም ሰላማዊ ፍታሕ ከናድዩ ብተደጋጋሚ ክጽውዑ ጸኒሖም። እዚ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተወሲዱ ዘሎ ናይ ምቁራጽ ተጻብኦታት ውሳነ ግን፡ ብዛዕባ ሰላማዊ ዝርርብ ዝኾነ ኣንፈት ኣይሃበን። እቲ መንግስቲ \"ኣሸባሪ\" ክብል ዝጽውዖ ህወሓት ኣብ ምምራሕ ሓይልታት ትግራይ ዘለዎ ገደ ዘካትዕ ኣይኮነን። ስለዝኾነ ድማ፡ ምስ መራሕቲ ህወሓት ክዘራረብ ዓቐብ ከይኮኖ ኣይተርፍን። ዝርርብ እንተ ተጀሚሩ'ውን፡ ምስ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዘሎ ናይ ወሰን ምስሕሓብ እቲ ካልእ ዝተሓለለኸ ጉዳይ ምዃኑ ኣይክተርፎን እዩ። ሓይልታት ትግራይ ነቶም ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሓይልታት ፈደራልን ኣምሓራን ዘለዉ ቦታታት ንምምላስ ውግእ ዝቕጽሉ እንተኾይኖም፡ እቲ ብመንግስቲ ዝተወሰደ ምቁራጽ ተጻብኦታት ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን። እቲ ኩነታት ብኸምኡ እንተቐጺሉ ድማ፡ እቲ ህጹጽ ረዲኤት ዝጽበ ዘሎ ህዝቢ ሓገዝ ዝረኽበሉ ዕድል ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ይኽእል'ዩ። ንብዙሓት ኢትዮጵያውያን ግን፡ በይናዊ ቶዂሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ እንታይ ዝደረኾ ምዃኑ ንጹር ኣይኮነን። ስለዝኾነ ድማ፡ ብዙሓት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት መንግስቲ መብርሂ ክህበሉ ይሓቱ ኣለዉ። ማሕበረሰብ ዓለም፡ ብሓፈሻ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ በይናዊ ስጉምቲ ብኣወንታ ከምዝጥምቶ ገሊጹ'ሎ። እቲ ኲናት እናገደደ እንተኸይዱ ተወሳኺ ስጉምቲታት ክወስዱ ክዳለዉ ከምዝጸንሑ ዝነገረሎም ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ከኣ ካልኦት ኣመራጺታት ከናድዩ ዘተባብዕ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ካልኦት ትካላትን ኣባላት ማሕበረሰብ ዓለምን ዝህብዎ ግብረመልሲ ድማ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ክንጸር ትጽቢት ይግበር። ኣመሪካ፡ ኣየርላንድን ብሪጣንያን፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ንምዝርራብ ብህጹጽ ክእከብ ጸዊዐን ኣለዋ። እቲ ኣኼባ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓርቢ ክካየድ ከምዝኽእል፡ ኤ-ኤፍ-ፒ ንዲፕሎማስያዊ ምጭታት ብምጥቃስ ጸብጺቡ'ሎ። ኣንፈት ናይቲ ብቐጻሊ ዝቀያየር ዘሎ ምዕባለታት ናበይ ገጹ ከምዘብል ኣብ እዘን ዝመጻ መዓልታትን ሳምንታትን ኣመት ከይሃበ ኣይተርፍን።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57659633"} {"headline":"ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ ቀላሲ ግስጋሰ ሓይልታት ትግራይ","content":"ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበረ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ ኣብ ህይወቱ ንኻልኣይ ግዜ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተላዕለ ኲናት ንክገጥም ናብ በረኻታት ትግራይ ወሪዱ ይብል ተንታኒ ፖለቲካ ኣፍሪቃ፡ ኣሌክስ ዴቫል። እዚ ኮማንደር ሓይልታት ትግራይ ኮይኑ ዘሎ ጀነራል ጻድቃን ዓለምለኻዊ ተንታኒ ድሕነትን ሓደ ካብቶም ኣብ ኣፍሪቃ ኣለው ዝብሃሉ ሓንጸጽቲ ወተሃደራዊ ስትራቴጅን እዩ። ሕዚ፡ ወዲ 68 ዓመት ጀነራል ጻድቃን፡ ብ1976 ዓ.ም ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝከታተሎ ዝነበረ ትምህርቲ ስነህይወት ኣቋሪጹ ናብቲ ህወሓት ዝመርሖ ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ተጸምቢሩ። ኣብቲ ግዜ ነቲ ንምብራቕ ኣፍሪቃ'ውን ዘርዕድ ዕጥቅን ወተሃደራዊ ቑመናን ዝነበሮ ማርክሲስታዊ ስርዓት መንግስቱ ሃይለማርያም ብዕጥቂ ዝቃለሱዎ ውሑዳት ኣማኢት ኮይኖም ኣብ በረኻታት ትግራይ ነይሮም። ትንታንኡ፣ ንትካላዊ መሪሕነት ዘለዎ ክእለትን ዓቕምን ኣብ መወዳእታ 1980ታት ካብ ብጾቱ እምነት ክረክብ ስለ ዝገበሩዎ፡ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ዝኽበሩን ዝፍተውን ኮማንደራት ክኸውን በቒዑ። ብ1991፡ ህወሓት ሜካናይዝድ ክፍለ ሰራዊታት ሓዊሱ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰራዊት ነይሩዎ። ኣብቲ ዓመት ወርሒ ግንቦት ጀነራል ጻድቃን ምስ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብምዃን ኣዲስ ኣበባ ንምቁጽጻርን ስርዓት ደርጊ ንምውዳቕን ህወሓት ዝመርሖ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ከፊቶም። ተጋደልቲ ህወሓት ኣዲስ ኣበባ ምስ ተቖጻጸሩ ንጀነራል ጻድቃን ኣብ ጥቓ ሂልተን ሆቴል ግዝያዊ ቦታ ኣውሒሶምሉ። ኣብኡ'ዩ ኣብ ውሽጢ 15 ዓመት ንፈለማ እዋን ጨርቂ መንጸፍ ኣብ ዝተነጸፎ መደቀሲ ዓራት ጎኑ ኣዕሪፉ። ንዝቕጽሉ ሸውዓተ ዓመታት ጀነራል ጻድቃን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ምህናጽ ለፊዑ። ናይ ጀነራል መዓርግ ተዋሂቡዎ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከኣ ኮይኑ። ጀነራል ጻድቃን 10 ዓመት ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዝነበረሉ እዋን እቲ ሰራዊት ማዕረ ተዋጽኦ ብሄር ብሄረሰባት የብሉን ዝብሉን ነቐፌታ ይቐርበሉ ነይሩ። እዚ ሰብ ብምሕደራ ቢዝነስ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦፕን ዓዲ ኢንግሊዝ ተመሪቑ። ፕሮፌሰር ግራም ሳልማን መምህሩ ነይሩ። ገለ ተዘክሮታት ኣለዎ። \"ክገጥመካ ካብ ዝኽእል ግጉይ ኣመለኻኽታ ዘለዎ መኮንን ሰራዊት ኣዝዩ ዝተፈለየ ሰብ'ዩ፤ ሱቕተኛ፣ ኣዳማጺ፣ ኣዕᎁቑ ዝሓስብ፣ ሓነኽን ክፉት ኣእምሮን ዘለዎ ሰብ እዩ\" ክብል ይገልጾ። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኲናት ሓድሕድ እንተኣእኸለ'ውን ቀርኒ ኣፍሪቃ ግን ትሕመስ ነይራ። ብ1996፡ ኣብ ልዕሊ መዓስከር ኣልቃዒዳ መጥቃዕቲ ንምኽፋት ኣባላት ሰራዊቱ ናብ ሶማሊያ ክልእኽ እንከሎ፡ ንተቓወምቲ ፕሬዝደንት ሱዳን ነበር ዖማር ኣልበሽር ንምሕጋዝ'ውን፡ ናብ ዶብ ሱዳን ዘውፈሮም ሰራዊት ነይሮም። ጀነራል ጻድቃን፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ብፕሬዝደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ስርዓት ንኢትዮጵያ ስግኣት ከም ዝኾነ ንቐዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ነበር ኣቶ መለስ ዜናዊ ደጋጊሙ የጠንቅቖ ነይሩ። እዚ ዕሽሽ ተባሂሉ ብ1998 ዶባዊ ኲናት ክልቲአን ሃገራት ክልዓል እንከሎ ግን ጀነራል ጻድቃን ቀላሲ ስርሒታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ነይሩ። እዚ ኲናት ኣዝዩ ዝኸፍአን ደማውን ስለ ዝነበረ ብኽልቲኡ ሸነኽ ህይወት 80 ሽሕ ሰባት ረጊፉ'ዩ። ኣብ ወርሒ ሰነ 2000 ሰራዊት ኢትዮጵያ ንምክልኻል ሰራዊት ኤርትራ ሰይሩ ዶብ ተሳጊሩ። ኣብቲ ግዜ ጀነራል ጻድቃን ኣስመራ ምቁጽጻር መደብ ነይሩዎ። ይኹን'ምበር መለስ ዜናዊ 'ኢትዮጵያ ሸቶኣ ስለ ዝሃረመትን ኤርትራ ስለ ዝተዋረደትን ጠጠው ኣብል' ኢሉ መሊሱዎ። ህወሓት ብምኽንያት እቲ ኲናትን ካልኦት ፖለቲካዊ ፍልልያትን ኣብ ክልተ ተገሚዑ፤ መለስ ከኣ ነዚ ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝነበረ ሙኩር ጀነራል ካብ ስርሑ ኣሰናቢቱዎ። ሃንደበት ካብቲ ዝተሞከረሉ ስራሕ ምእጋድ፣ ብኣመራርሓ ህወሓት ምንጻል፣ ናይ ቀረባ ክትትል ሓይልታት ጸጥታ ምብዛሕ ጀነራል ጻድቃን ከም ተራ ዜጋ ኮይኑ ህይወት ክመርሕ ኣኽቢዶምሉ'ዮም። ንሱ ግን፡ ሰራዊትታት ብኸመይ ዝርግሐ ኤችኣይቪ ክቆጻጸሩ ይኽእሉ ዝብል ጸብጻብ ኣዳልዩ። ጸኒሑ ግን ኣማኻሪ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ዝገብሮ ዝነበረ ዕረያ ድሕነት ኣማኻሪ ኮይኑ ቤት ጽሕፈት ዓለምለኻዊ ልምዓት ብሪጣኒያ ተቖጺሩ። ይኹን'ምበር እዚ ፕሮጀክት ሞያዊ ብቕዓት ሰራዊት እታ ሓዳሽ ሃገር ንምዝማን ዝነበሮ ሸቶ ኣይሰመረን። ጀነራል ጻድቃን ኣብ ትውልዲ ከባቢኡ ብምምጻእ ኣብ ደቡብ ትግራይ ንግዲ ሆርቲካልቸርን ፋብሪካ ቢራ ራያን ጀሚሩ። ኣንጻር ተጋሩ ዘቕንዐ ስምዒታት ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብ2018 ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኑ ክሽየም እንከሎ፡ ጀነራል ጻድቃን ሕጉስ ኮይኑ ተቐቢሉዎ፤ ሓቢሩዎ ከም ዝሰርሕ ድማ ተዛሪቡ። እንተኾነ ነባራት ኣባላት ህወሓት በዚ ነቒፎምዎ። ብ2019፡ ንመራሕቲ ህወሓትን ኣብዪ ኣሕመድን ንምሽምጋል ኣብ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ጉጅለ ኣትዩ ብዙሕ ጽዒሩ። ኣብ ማእከል ሃገር ኣንጻር ተጋሩ ዘቕንዐ ዝንባለታት እናጽዓቐ ምስ መጽአ ግን ናብ ትግራይ ተመሊሱ ኣብ መቐለ ንመሪሕነት ትግራይ ክሕግዝ ጀሚሩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኲናት ምስ ተላዕለ ከኣ፡ ምስ ኣመራርሓ ትግራይ ዝነበሮ ኣፈላላይ ንጎኒ ገዲፉ ናብቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ተጸምቢሩ። ብዙሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዝበጽሕ ግፍዒ ዘስግኦም መናእሰይ'ውን ውሒዞም። ካልኦት ቅድሚ ዓሰርታት ዓመታት ካብ ህወሓት ተገሊፎም ዝነበሩ ገዳይም ተጋደልቲ ከይተረፈ ናብ በረኻታት ትግራይ ወሪዶም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ጀነራል ጻድቃንን ካልኦት መራሕቲ ትግራይን ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኣውጺኡ። ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ዝነበረ ወተሃደራዊ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ከፊቶም ብምባል ብክሕደት ሃገር ክኣ ይኸሶም። እቲ ኣብ ትግራይ ኣንጻር ፌደራላዊ መንግስቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ 'ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ' ብዝብል ዝምእዘን ዘሎ ኮይኑ ኣብዚ ህወሓትን ኣባላት ህወሓት ዘይኮኑን ጠርኒፉ ዝሓዘ እዩ። ጀነራል ጻድቃን ናብቲ ማእከል ስሕበቱ ዝኾነ ኣትዩ ወተሃደራዊ ጉዳያት ዘድሃበ ሓላፍነት ወሲዱ ኣሎ። ኣብ ወርሒ ጥሪ \"ሓመድ ልሒስና ተልዒልና\" ኢሉ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ ኣብ ጎቦታት ትግራይ መዕቀሊ ንምርካብ ይሃድሙ ነይሮም፤ ብዙሓት ንቓልሲ ዝወረዱ መናእሰይ ከኣ ጥራይ እግሮም ብረት ተሰኪሞም ይጎይዩ ነይሮም። ግን ድማ እቲ ብሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝገጠሞም ክባ ፈንጺሖም ብምውጻእ ከጥቅዑ ጀሚሮም። ድሕሪ ሕጂ'ዩ ጀነራል ጻድቃን ክንደይ ዝኣኽሉ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ሞይቶምን ቖሲሎምን ክዛረብ ዝኽእል። ንኣርባዕተ ኣዋርሕ የሰልጥኑ፣ ሓይሎም የተኣኻኽቡ ነይሮም፤ ኣብ ወርሒ ግንቦት ጀነራል ጻድቃንን ካልኦት ኮማንደራትን ዝተወሰነ ክፋል ከም ዘዐወቱ ገምጊሞም። ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣባል ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ኣብ ትግራይ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ጸዊዐን ነይረን። ህወሓት እፎይታ ንምሃብ ድልዊ ከም ዝኾነ ዝገልጽ መግለጺ'ኳ እንተአውጽአ ብዛዕባ ዕርቂ ግን ዝበሎ የለን። ብ17 ሰነ 2021፡ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ መጥቃዕቲ ከፊቶም። ኣብ ከበድቲ ውግኣት ቦታታት ከም ዝሓዙን ንሸሞንተ ክፍለ ሰራዊታት ኢትዮጵያ ከም ዘዕነውን ገሊጾም። ሰራዊት ምክልኻል ግን \"ስኑዕ ዜና\" ክብል ነጺጉዎ። እዚ ንምጥላል፡ ጋዜጠኛታት ናብ ሜዳ ከይዶም ከረጋግጹ ወይ'ውን ንሙሩኻት ክሓቱ ትጽቢት ይግበር። ይኹን'ምበር እዚ ክሳብ ሕጂ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ዘመዝገቡዎ ዘደንቕ ዓወት ይመስል፤ በዚ ምኽንያት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ከንሳሕብ ተገዲዱ እዩ። ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ መቐለ ተቖጻጺሮምዋ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ምክልኻልን ከኣ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ኣዊጆም ወጺኦም። ሕጂ ዓበይቲ ዕጥቅታት ዝዓጠቐ ምክልኻል ትግራይ፡ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ንዝዋግኡ ዘለው ሰራዊት ኤርትራ ይገጥም ኣሎ። ሰራዊት ኤርትራ ሒዞምወን ካብ ዝነበሩ ከተማታት ወጺኦም ኣብ ከባቢ ዶብ ድፋዕ ሰሪሖም ከም ዘለው ጸብጻባት ይገልጹ። ፕሬዝደንት ኢሳይያስ ካብዚ ኲናት ምውጻእ'ዶ ምግጣም ኣብ ዝብል መዋጥር ኣትዩ ይርከብ። ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ግን ኢሳይያስ ኣብ ስልጣን ክሳዕ ዝሃለወ ድሕነት ምርግጋጽ ስለ ዘይክኣል ክደፍኡ ይኾኑ'ዮም። ስለ ዝኾነ ካልእ ዓብዪ ኲናት ክህሉ ይኽእል'ዩ። ኣሌክስ ዲቫል፡ ዋና ዳይሬክተር ፋውንዴሽን ሰላም ዓለም እዩ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57632736"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ 'ሓይልታት ትግራይ መሰረተ ልምዓት ስደተኛታት ንወተሃደራዊ ዕላማ የውዕሉ ኣለው' -ኣራ","content":"ትካል ጉዳያት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኢትዮጵያ (ኣራ)፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ነቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርከቡሉ ከባቢታት ድሕሪ ምቁጽጻሮም እቶም ስደተኛታት ነቲ ኲናት ዝውዕል ዓይነታውን ገንዘባውን ሓገዛት ከበርክቱ ይግደዱ ኣለው ክብል ከሲሱ። እቲ ኤጀንሲ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብፍላይ ኣብ ማይ ጸብሪ ዝርከቡ ስደተኛታት ዘለውሉ ኩነታት ናብ ዘሰክፍ ደረጃ ይሰጋገር ብምህላዩ ኣሻቓሊ ኮይኑ ይብል። ዝበዝሕ ከባቢታት ትግራይ ተቖጻጺሮም ዝርከቡ ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ዘውጽኡዎ መግለጺ፡ ጸብጻባት ምፍንቓልን መጥቃዕትን እቶም ስደተኛታት ከም ዘሻቐሎም ገሊጾም ነይሮም። እቲ መግለጺ \"መንግስቲ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተፈጺሙ ዝተባህለ መጥቃዕትን ምፍንቓልን ኣሻቒልዎ ኣሎ። እቶም ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ሰላማውያን ሰባትን ዝተፈጸሙ ኩሎም ገበናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመረሖ ዘይሻራዊ ኣካል ከጻርዮም ከኣ ንጽውዕ\" ይብል። ኲናት ትግራይ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ መዓስከራት ልዕሊ 100 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝነበሩ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ። ቅድም ኢሉ ኣስታት 20,000 ኤርትራውያን ዝነበሩወን መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን \"ምሉእ ብምሉእ ዓንየን\" ከም ዝረኸበን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ነይሩ። እቲ ትካል ብ26 መጋቢት 2021 ኣብ ዘውጽኦ መብርሂ፡ ምስ ትካል ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ብምዃን ኣብተን መዓስከራት ክበጽሑ ከም ዝኸኣሉ ብምግላጽ \"ክልቲአን መዓስከራት ፍጹም ዓንየን፤ ኣብኡ ዝነበረ ኩሉ ሰብኣዊ ትካላት ተዘሚቱን ዓንዩን\" ከም ዝጸንሖም ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር። ብሰንኪ'ቲ ዝተፈጥረ ኩነታት ድማ እቶም ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ወዲቖም፡ ብዘይ ሓለዋን መግብን ንኣዋርሕ ከም ዝጸንሑ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ትካላት ረድኤትን ክገልጹ ጸኒሖም። ኣብቲ እዋን ሰብመዚ ስደተኛታት ኢትዮጵያ፡ እተን መዓስከራት ብመሰረት ዓለምለኻዊ ቅጥዕታት ክግዕዛ ከም ዝወሰኑ ብምሕባር ካብ መዓስከራት ሺመልባን ሕጻጽን ዝሃደሙ ኣስታት 7000 ናብተን ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ናይቲ ክልል ዝርከባ መዓስከራት ዓዲ-ሓሩሽን ማይ-ዓይኒን ኣትዮም ከም ዘለዉ ሓቢሮም'ዮም። ካልኦት ኣስታት 2000 ድማ ኣብ ሽረ፣ መቐለ፣ ክልል ዓፋርን ኣዲስ ኣበባን ከም ዘለዉ ጠቒሶም። ኤጀንሲ ስደተኛታትን ተመለስቲ ስደትን ከም ዝብሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓይልታት ትግራይ ናብቶም መዕቆቢ ስደተኛታት ዝርከቡሎም ከባቢታት ከም ዝኣተው ብምግላጽ ክሳብ ሕጂ ብውሑድ ሽዱሽተ ስደተኛታት ከም ዝተቐትሉ ዘመክቱ መረዳእታታት ኣለውኒ ይብል። \"ንሰብኣዊ ኣገልግሎት ክውዕሉ ዝተዳለው ትካላት ጥዕና ሓዊሱ ኣምቡላንስን ዝተፈላለየ ትሕተ ቕርጽን ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት የውዕሉዎም ከም ዘለው መረዳእታታት የመልክቱ\" ብምባል ብሰንኪ ሕጽረት ኣገልግሎት ጥዕና ዝሞቱ ስደተኛታት ከም ዘለው ገሊጹ። ኣብዚ ጉዳይ ሓይልታት ትግራይ ዝሃቡዎ ርኢይቶ'ኳ እንተዘይሃለወ ህወሓት ግን፡ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንዓመታት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተቐቢሉ ከም ዘተኣናገደ ብምግላጽ ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጋጋት \"ብወራሪ ሓይሊ ጉድኣት ዝበጽሖም ስደተኛታት ንምሕጋዝ ድሉዋት ኢና\" ኢሉ። እቲ ክሲ'ውን ብናጻ ኣካል ኣይተጻረየን። እቲ ኤጀንሲ ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘጋጠመ ጸገም ንምፍታሕ ኣብ ሰሜን ጎንደር ወረዳ ሳባት መዕቖቢ ስደተኛታት ይስራሕ ከም ዘሎን ካብቲ ክልል ንዝወጽኡ ስደተኛታት ዘድሊ የዳሉ ምህላውን ሓቢሩ። ብግዝያውነት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ክዕቆቡ ብምግባር መግቢ ነቕርበሎም ኣለና ክብል'ውን ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ። ሓይልታት ትግራይ'ውን ኣብ መግለጺኦም ብመሰረት ዓለም ለኻዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ሓላፍነቶም ከም ዝርድኡ ብምግላጽ \"ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ካሊእ ከባቢ ወሲድካ ንምጥያስ ዝግበር መደባት ብፍቓዶምን ሰናይ ድልየቶምን ክፍጸም ይግባእ\" ምባሎም ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓላፊ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ፡ ብኹነታት እቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣዝዩ ከም ዝተሻቐለ ገሊጹ ነይሩ። እቲ ትካል፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ማእሰርቲ፣ ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲታት፣ ዘረፋን ዓመጽን ከም ዝተፈጸመን ኣብቲ መዓስከር ሓደ ኤርትራዊ ከም ዝሞተን ኣረጋጊጹ ነይሩ። ብፍላይ ኣብ መዓስከራት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን፡ ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት ኣካላት ዝተፈጸመ ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐ ሓፈሻዊ ገበናት ከም ዘንሰምበዶ'ውን ፊሊፖ ግራንዲ ተዛሪቡ። ኲናት ትግራይ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ምስ ተወለዐ ልዕሊ 96,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዝወደቑ ይፍለጥ። ብፍላይ እተን ኣብ ሰሜናዊ-ምዕራብ ትግራይ ተደኲነን ዝነበራ መዓስከራት ሽመልባን ሕንጻጽን ኣብቲ ኲናት ፍጹም ስለ ዝዓነዋ ልዕሊ 21,000 ነበርተን ግዳይ ቅትለት፡ ጭውያ፡ ምብትታንን ኮይኖም ምህላዎም ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ። ኣስታት 9,000 ካብኦም ናብ መዓስከራት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ከምዝገዓዙ መግለጺ ትካል ስደተኛታት ኢትዮጵያ ይጠቅስ። ካልኦት ልዕሊ 5200 ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተመዝጊቦም ከምዘለዉ'ውን ተሓቢሩ። ብዘይካ'ዚ፡ 79 ኣብ ሽረ ዝነበሩ ስደተኛታት፡ ናብቲ ኣብ ክልል ዓፋር ዘሎ ልዕሊ 50,000 ካልኦት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተዓቚብሉ መዓስከር ክሰጋገሩ ንትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ጠለብ ከምዘቕረበ እቲ መግለጺ ኣነጺሩ። ኣብ መላእ ኢትዮጵያ፡ ኣስታት 200,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዘለዉ ጸብጻባት እቲ ትካል የረድኡ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57914085"} {"headline":"መረጻ ኢትዮጵያ 2021፡ ኣብ ሞንጎ ጎንጺ ዝካየድ ዘሎ ፈላማይ ውድድር መረጻ ኣብዪ ኣሕመድ","content":"ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ዝርኣይ ምትፍናን ኣብ ዝበርትዐሉን ኣብ ትግራይ ደማዊ ኲናት ይካየድ ኣብ ዘለወሉን እዋን፡ ኣብ ኢትዮጵያ መረጻ ይካየድ ኣሎ። እቲ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተናውሐ መረጻ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንፈለማ እዋን ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ መረጻ እዩ። ኣብዪ ነቲ 547 መናብር ዘለውዎ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌደራል ብዝለዓለ ድምጺ ብምዕዋት መሪሕነቱ ከረጋግጽ ተስፋ ይገብር። እዚ መረጻ ግን ኣብ ትግራይ ንግዝኡ ኣይካየድን፤ ኣብቲ ክልል ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ተዋጋእቲ ሓይልታት ኣብ ጎንጺ ተጸሚዶም ኣለው። ኣብ ገለ ከባቢታት እታ ሃገር'ውን ብምኽንያት ስግኣት ጸጥታን ጸገማት ሎጀስቲክን መረጻ ዝካየደሉ እዋን ተናዊሑ'ዩ። ብመሰረት እቲ ሕጂ ዘሎ መርሃ ግብሪ፡ ኣፈናዊ ውጽኢት መረጻ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት ክግለጽ ትጽበት ይግበር። ናይ መወዳእታ ውጽኢት ከኣ ኣብ ውሽጢ 23 መዓልታት ወግዓዊ ክኸውን ትጽቢት ይግበር። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ክመጽእ እንከሎ፡ ኣቦ መንበር ናይቲ ሽዑ እዋን ዝነበረ ልፍንቲ ኢህወዴግ'ዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ዝኾነ ዓይነት ንሕንሕ ኣይገጠሞን። ኣንጻር: ህወሓት ዝምእዝኖ መንግስቲ ብዝነበረ ብርቱዕ ተቓውሞ ናብ ስልጣን ከም ዝደየበ ይፍለጥ። ድሕሪኡ ነቲ ግንባር ብምፍራስ ሓድሽ ሰልፊ [ብልጽግና] ብምምስራት ሓደ ጥሙር ሰልፊ ክኸውን ክገብር እንከሎ፡ ህወሓት ናብዚ ሓድሽ ሰልፊ ንምእታው ተሓሲሙ። ኣብዪ ኣሕመድ ዝመርሖ ሰልፊ ብዓብላሊ ድምጺ እንተተዓዊቱ፡ መሪሕነቱ ክዕቅብ'ዩ። እቲ መረጻ \"ፈላማይ ናጻን ፍትሓውን መረጻ\" ከም ዝኾነ'ውን ይዛረብ። ናይ ለውጢ መራሒ ኮይኑ ብ2019 ሽልማት ኖቤል ሰላም'ኳ እንተተዓወተ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ግን ኣብ ትግራይ ምስ ዝነበረ መሪሕነት ህወሓት ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣትዩ ይርከብ። ብምኽንያት እዚ ጎንጺ ኣሽሓት ተቐቲሎም፤ ብዙሓት'ውን ብጥምየትን ዓጸቦን ከይሞቱ ይስጋእ ኣሎ። ልዕሊ 40 ሰልፊታት ኣብቲ መረጻ ከም ዝሳተፉ ቦርድ መረጻ ክገልጽ እንከሎ፡ መብዛሕትኦም ሃገራውያን ዘይኮኑ ናይ ክልላት ፖለቲካዊ ውድባት ከም ዝኾኑ ይሕብር። ተቓወምቲ ውድባት መንግስቲ ንመራሕትና ኣሲሩ'ዩ ብምባል ይነቕፉዎ። ኣብ ገለ ክልላት ክወዳደሩ ተመዝጊቦም ዝነበሩ'ውን እንተኾኑ ካብቲ መረጻ ወጺኦም'ዮም። ግንባር ሓርነት ኦሮሞ መንግስቲ ኣብቲ መረጻ ኢዱ የእትው ኣሎ ብምባል ኣብ ወርሒ መጋቢት ካብቲ መረጻ ከም ዝወጽአ ይዝከር። ገዛኢ ሰልፊ ትግራይ ዝነበረ ህወሓት'ውን ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ መዝገብ ግበረ ሽበራ ክሰፍር ተገይሩ። ገለ ኣመራርሓ እቲ ውድብ ኣብ ቀይዲ ክኣትው እንከለው፡ ገሊኦም ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ይመርሑ ኣለው። ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ዓሌታት ዘሎ ግጭትን ኲናት ትግራይን ነቲ መረጻ ከውሊ ኮይኖምዎ ኣለው። ግን ድማ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር መረጻ ኣብ እዋኑ ክካየድ ስለ ዝእዝዝ፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ኮይንካ መረጻ ክካየድ ኣለዎ። ሰብ መዚ ቦርድ መረጻ ካብቶም ድምጾም ክህቡ ትጽቢት ዝተገበረሎም 50 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ልዕሊ 37 ሚሊየን ከም ዝተመዝገቡ ይገልጹ። ብደረጃ ሃገር ውድድር ክካየድ ትጽቢት ዝግበር'ኳ እንተኾነ ኣብታ ሃገር ካብ ዘለው 547 ክልላት መረጻ ኣብ ሓደ ሕምሺት ዝኾኑ፡ እቶም 38 ኣብ ትግራይን ካልኦት 64 ኣብ መላእ ኢትዮጵያ: መብዛሕትኦም ዝዘንግዑ ምርጫታት ሽዱሽተ መስከረም ክካየዱ ከለው፡ እቲ ናይ ትግራይ መረጻ ግን መዓዝ ከም ዝካየድ ኣይተፈለጠን። ኣብ ሚያዚያ ሰብ መዚ ሕብረት ኤውሮጳ ኢትዮጵያ ናጻ ነቲ መረጻ ዝዕዘብ ጉጅለ ናይ ባዕሉ ናይ ኮምዩኒኬሽን ናውታት ሒዙ ክኣቱ ኣየፍቀደትሉን ብዝብል ተዓዛቢ መረጻ ከም ዘይልእኹ ክገልጹ ከለው፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ናይ ደገ ተዓዘብቲ \"ኣገዳስነትን ተኣማንነትን እቲ መረጻ ንክውስኑ ኣገዳሲ ኣይኮነን\" ዝብል ምላሽ ሂቡሉ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ዓሌታዊ ጎንጺ ክውስኹ እንከለው፡ እዚ ኣብ መስርሕ እቲ መረጻ ጸቕጢ ከየሕድር ይስጋእ። ካብ ትግራይ ብወተሳኺ: ሓይልታት መንግስቲ ፌደራል ኣብ ክልል ኦሮሚያ ንዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጉጅለ ስጉምቲ ይወስዱ ምህላዎም ይፍለጥ። ኣብ ምዕራብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ብምኽንያት ዋንነት መሬትን ሃብቲ ተፈጥሮን ዝለዓል ግጭት ምኽንያት ሞት ብዙሓት ኮይኑ'ዩ። ኣብዪ ኣሕመድ እዞም ስግኣታት ኣብቲ መረጻ ዘሕድሩዎ ጸቕጢ ከም ዘየለ ብምግላጽ ናጻን ፍትሓውን መረጻ ክካየድ እዩ ይብል። \"ዓለም ኣብ መዓልቲ መረጻ ክብኣሱ'ዮም ክትብለና እንከላ፡ ንሕና ግን ከነምህራ ኢና\" ክብል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተዛሪቡ ነይሩ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57550719"} {"headline":"ሽረ እንዳስላሰ ድሕሪ'ቲ ኲናት እንታይ ትመስል- ካብ መሰኻኽር ዓይኒ","content":"ሽረ እንዳስላሰ ካብተን ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻል ሓይልታት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ከቢድ ውግእ ዘተኣናገዳ ከተማታት ሓንቲ እያ። ቢቢሲ ንገለ ነበርቲ ከተማ ሽረ እንዳስለሰ ከዘራርብ ኪኢሉ ኣሎ። እቲ ውግእ ናብ ሕዳር 17 ሰሉስ ዘውግሕ ከምዝተኻየደ ዝገለጸ ምንጪ ቢቢሲ፡ ነባራይ ከተማ ሽረ እንዳስለሰ እቲ ውግእ ብኸበድቲ ብረት ዝተሰነየ ስለዝነበረ ብዙሕ ነባሪ እታ ከተማ ካብ ገዛውቶም ክሃድሙ ከምዝተገደዱ ሓቢሩ። \"መብዛሕትኦም ተተኮስቲ ከበድቲ ብረት ፍሉይ ሽሙ ኣጓዱ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ክፋል እታ ከተማ'ዮም ዝዓልቡ ነይሮም። ሰባት ከኣ ናብ ከባቢ ቤተ ክርስትያን እንዳ ኣቡነ ኣረጋዊ ይሃድሙ ነይሮም\" ክብል ሽሙ ክርቋሕ ዘይደለየ ምንጪ ቢቢሲ ገሊጹ። ብሰንኪ እቲ ዝተኻየደ ውግእ ቁጽሮም ዘይተፈልጡ ሰባት ጉድኣት በጺሕዎም። \"በውሑዱ'ኳ ኣነ ዝፈልጦም 10 ሰባት መጉዳእቲ በጺሕዎም'ዩ\" ዝበለ ምንጪ ቢቢሲ ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐትሉን ካብኣቶም ኣብ ሽዱሽተ ንሱ ዝፈልጦም ስድራ እንዳ ሓዘን ከምዝበጽሐን ገሊጹ። ድሕሪ እቲ 6 ሰዓታት ዝወድአ ኵናት ምስተዛዘመ ታንክታት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ናብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣትየን። በዓል ሰለስተ ኮኸብ ሆቴል ደጀና ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ህንጻታት እታ ከተማ ድማ ብታንክን ነተጉትን ብኽፋል ዕንወት በጺሕዎም እዩ። ቢቢሲ ዝረኸቦ ስእሊ ሆቴል ደጀና ከምዘርእዮ ክፋል እቲ ሆቴል ዓንዩ እዩ። ወናኒ ሆቴል ደጀና ነባር ተጋዳላይ ህወሓት ኮሎኔል ተወልደ ገብረተንሳይ'ዩ። ንሱ ኣብ ኵናት ኢትዮ ኤርትራ ኣድሂቡ ናይ ዝተጽሓፈ 'ባድመ እንደ ምክንያት' እውን ጸሓፊ ከምዝኾነ ይፍለጥ። ኣብዚ እዋን፡ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ እትርከብ ኮይና ብኣሽሓት ዝቑጸር ነባሪኣ ግን ፈለማ ሃዲሙ ምስከደ ፎቖዶ ሽንጥሮን በረኻታት ይነብር ከምዘሎ ይዝረብ። ኣብ ቀንዲ ጎደና ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ናይ ዘለዉ ህንጻታት መስትያቶም ፍርስርስ ኢሉ ከምዝተዓዘበ ዝሓበረ ምንጪ ቢቢሲ ሰባት ናብ ስሩዕ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ክምለሱ ጻዊዒት ከምዝተገበረ ሓቢሩ። ይኹን እምበር፡ ሰባት ካብ ዝሃደምዎ ገጠራት ከምዘይተመልሱን ምንጭታት ቢቢሲ ካብ ሽረ እንዳስለሰ ገሊጾም። ኣገልግሎታት ቴሌኮሙኒኬሽን፣ ኢንተርኔትን ኤሌክትሪክን'ውን ተዓጽዮም ከምዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ'ሎ። መጠናዊ ዝኾነ ምንቅስቓስ ነበርቲ ከምዝተጀመረን ወተሃደራት ኣብ ማእኸል ጽርግያ እታ ከተማ ከምዝረኣዩን መሰኻኽር ዓይኒ ሓቢሮም። ግዝያዊ ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ኮይኑ ብመንግስቲ ፌደራል ዝተመዘዘ ዶ\/ር ሙሉ ነጋ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ዓበይቲ ዓዲ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዘተ ከምዘካየደን ግዝያዊ ምምሕዳር እታ ከተማ ከምዘቖመን ማዕከናት ዜና መንግስቲ ፌደራል ኣቃሊሐን ነይረን። ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ዓበይቲ ዓዲ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ሞት ስርቅን ምምዝባልን ከምዘሎ ብምጥቃስ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ማይ፣ ቴሌኮሙኒኬሽን፣ ኤሌክትሪክን መጓዓዝያን ብቕልጡፍ ክኽፈት ሓቲቶም። ህዝቢ ዝግልገለሎም ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ክዓንዉን ክስረቑን ዝተገበረሉ መገዲ ከምዘሕዘኖም ዝሓበሩ እቶም ዓበይቲ ዓዲ ገለገሊኡ ቂምታ መሰረት ዝገበረ ድርጊት ምዃኑ ኣረዲኦም። ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ክልል ትግራይን ዝተወልዐ ውግእ ብኣማኢት ዝቕጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉን ብኣዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከኣ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ከምዝተሰደዱ ይፍለጥ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ግን እቲ ውግእ ከምዝተዛዘመን ብሰንኪ እቲ ግጭት ዋላ ሓደ ሲቪል ሰብ ከምዘይተጎድአን ይገልጽ። ሓይልታት ትግራይ ግን፡ እቲ ኲናት ቀጺሉ ይካየድ እዮም ዝገልጹ። ገበርቲ ሰናይ ትካላት ናይ ሰብኣዊ ቀረባት ቅልውላው ከጋጥም ከምዝኽእል ኣጠንቂቐን ኣለዋ። ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ልዕሊ 80 ሽሕ ህዝቢ ከምዝነብር ይግመት።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55166240"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ኩነታት ትግራይ 'ኣሻቓሊ' ከምዘሎ ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ","content":"ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኩነታት ትግራይ ኣዝዩ ዘሻቕል ከም ዝኾነን መንግስቲ፡ ሰብኣዊ ሓገዛት ንዘበርክታ ትካላት ናብቲ ክልል ከይኣትው ዝገብሮ ኽልከላ ደው ከብሎን ተማሕጺኑ። ፍሊፖ ግራንዲ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ መዓስከራት ስደተኛታት ዝገበሮ ዑደት ምስ ዛዘመ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዛዕባ ዘጋጠሙ ጾታዊ ዓመጻታት ከም ዝነገሩዎ ሓቢሩ። ኣብቲ ጎንጺ ዝሳተፉ ዘለው ኩሎም ወገናት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝፈጸሙዎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምህላው ዘረጋግጹ ብዙሓት ጭብጥታት ከም ዘለው'ውን ገሊጹ። ሓላፊ ኖርወጂያን ረፊዩጂ ካውንስል ጃን ኢገላንድ'ውን፡ ኣብ ትግራይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሞንጎ ዝርከቡሎም ኣርባዕተ መዓስከራት ኣብተን ክልተ ናውታት ሓገዝ ከም ዘብጽሑ እኳ እንተገለጸ፡ ኣብተን ክልተ ግን ክበጽሑ ከም ዘይኽኣሉን ከም ዘተሓሳስቦን ሓቢሩ። \"ኣብተን ክልተ ንኤርትራውያን ዉሱን ሓገዝ ገይርና ኢና፤ እቲ ጠለብ ግን ልዑል'ዩ። ኣብተን ክንበጽሐን ዘይክኣልና ክልተ ድማ የተሓሳስበና። ስደተኛታት መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሖም ሰሚዕና ኢና፤ ናብ ዶብ ሱዳን ከይደ ብዙሓት ስደተኛታት ረኺበ ዝነገሩኒ ታሪኽ ዘሕዝን'ዩ\" ኢሉ። ኣብቲ ኲናት ዝተጀመረሉ ክልል ትግራይ ዘዕቆቡ ኣስታት 100 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝነበሩ ኮይኖም፡ ብሰንኪ እቲ ወተሃደራዊ ጎንጺ ከቢድ ሰብኣውን ጸጥታውን ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ናብ ካልእ ክልላት ኢትዮጵያን ኣዲስ ኣበባን ብዙሓት ከም ዝሃደሙ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ምንጭታት ይገልጹ። እቶም ኣብ ትግራይ ዝርከባ ኣርባዕተ መዓስከራት ተዓቒቦም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት እቲ መዓስከራት ኣብቲ ኵናት ዝካየደሉ ቦታ ስለዝርከብ ዝኾነ ሰብኣዊ ሓገዛት ክበጽሖም ብዘይምኽኣሉ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቖም ምጽንሖም ይፍለጥ። ትላል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ነተን ኣብ ሰሜን ትግራይ ናብ ዶብ ኤርትራ ዝቀረባ፡ ከምኡ'ውን ኣብቲ ብርቱዕ ኵናት ዝተኻየደሉ ቦታ ዝርከባ መዓስከራት ሸመልባን ሕጻጽን ግን ብተደጋገሚ ክበጽሓን እንተሓተተ'ኳ ክሳብ ሕጂ ናብቲ መዓስከር ከይዶም ክዕዘቡ ከምዘይተፈቐደሎም ይሕብሩ። ሰብኣዊ ቅልውላው ክልል ትግራይ ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዲ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቶም ኣብ ትግራይ ሓገዝ ዘድልዮም ሚልዮናት ሰባት ክበጽሓሎም ብዘይምኽኣሉ ሓላፍነቱ የጉድል ኣሎ ኢሉ። ሓልሓሊፉ'ውን፡ እቲ ስራሓት ሰብኣዊ ሓገዝ ብብዝሒ ክተዓናቀፍ ከም ዝርኣየ'ውን ተዛሪቡ። ዋና ጸሓፊ ናይቲ ትካል 'ኖርዌጅያን ረፊዩጂ ካውንስል' ጃን ኢገላንድ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ቃለ-መሕተት፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ሰባት ክንበጽሕ ብተደጋጋሚ ሕቶ እንተኣቕረብና'ውን ነቶም ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ግን ክንበጽሓሎም ኣይክኣልናን ኢሉ። \"ብተደጋጋሚ ሕቶ ኣቕሪብና ኢና። ኣብ ፌደራል ሓልሓሊፉ፤ ገለ ሻዕ ድማ ብክልል ፍቓድ ዘይረኸብናሎም እዋናት ኣለው። ብዝሒ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ክኸውን ይኽእል'ዩ፤ ድኽነት ዝበዝሖን ረድኤት ዝደልን ከባቢ'ዩ\" ኢሉ። ቅድም ኢሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት 2.5 ሚልዮን ከም ዝኾኑን ኣድላዪ ዘበለ ሓገዛት ይገብር ምህላው'ውን ኣፍሊጡ ነይሩ። ኮሚሽን ኣመራርሓ ብሄራዊ ስግኣት ሓደጋ'ውን ነቲ ህዝቢ ንምሕጋዝ መንግስቲ እኹል ምድላዋት ገይሩ ኣሎ ኢሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቶም ሓገዛት ዘድልዮም ሰባት ንምብጻሕ ምስ መሻርኽቱ ብምዃን ብጥምረት ይሰርሕ ምህላዉ ጠቒሱ። ጃን ኢገላንድ ግን \"ውሑዳት ረድኤት ዝሓዛ ናይ ጽዕነት መካይን ንርኢ ኢና። እዚ ግን ነቶም ብሚልናት ዝቑጸሩ እኹል ኣይኮነን\" ይብል። ወሲኹ \"ወሃብቲ ሓገዝን መንግስትን ብሓባር ብዝገበሩዎ ገምጋም ናብ ደቡብን ምብራቕን ትግራይ ተጓዒዞም እዮም። ብዙሕ ረድኤት ዘድልዮ ህዝቢ ከም ዘሎ'ውን ርእዮም። ካውንስል ስደተኛ ኖርወጂያን ሓዊሱ ካልኦት ወሃብቲ ትካላት ሓገዝ ክገብሩ ይደልዩ'ዮም። ቅድሚ እቲ ጎንጺ ብኣማኢት ኣሽሓት ንዝቑጸሩ ሰባት ረድኤት ሂብና ኢና። ሕጂ'ውን ልዕሊኡ ንምግባር ድሉዋት ኢና\" ኢሉ። እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲን ትግራይን ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኵናት ኣብቲ ክልል ዓቢ ሰባዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ምህላዉ ይግለጽ። ካብቲ ግጭት ዝሃደሙ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ናብ ሱዳን ክኣትዉ እንከለዉ፡ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ተፈናቒሎም ኣለዉ። ልዕሊ 4.5 ሚልዮን ሰባት'ውን ህጹጽ ረዲኤት ከምዘድልዮም ሰብመዚን ሕቡራት ሃገራትን ሓቢሮም። እቲ ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን ፈደራልን ዝነበረ ምትፍናን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር ኵናት ምስ ኣወጀ፡ እቲ ዝነበረ ወጥሪ ናብ ቅሉዕ ኵናት ዓሪጉ። ቅድሚ መጀመርታ ሕዳር 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ ውድብ ህወሓትን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራልን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ርክቦም ሓርፊፉ ነይሩ። ህወሓት ንዝሓለፈ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት፡ ኣብቲ ብሕብረት ሰልፍታት ዝቖመ ኢህወደግ ብዓብላልነት ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ ምጽአ እቲ ዝነበሮ ዓብላልነት ስኢኑ ኣብ ክልል ትግራይ እዩ ተሓጺሩ ጸኒሑ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/55883896"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመዓስከራት ሕጻጽን ሸመልባን ክዓጽዎ ምዃኑ ኣፍሊጡ","content":"ኢትዮጵያ ካብተን ኣብ ትግራይ ዝርከባ ኤርትራውያን ተዓቚቦምለን ዘለዉ ኣርባዕተ መዓስከር ስደተኛታት ነተን ክልተ ክትዓጽወን ምዃና ኣፍሊጣ። መዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽን ሽመልባን ንመዐቀኒታት ህንጸት መዓስከር ትካል ስደተኛታት ውድብ ሃገራት ዘየማልኣ ብምዃነን ንክዕጸዋ ከም ዝተወሰነ ዋና ዳይሬክተር መንግስታዊ ትካል ስደተኛታትን ተመለስቲን (ARRA) ኣቶ ተስፋሁን ጎበዛይ ገሊጹ። ኣቶ ተስፋሁነይ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ መዓስከር ስደተኛታት ሽመልባ ብመሰረት ሮቛሒ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ካብ ዶብ ጎሮቤት ሃገር [ኤረትራ] ክንድ'ቲ ዝግባእ ዝረሓቐ ከም ዘይነበረን፡ ሕጻጽ'ውን ብምኽንያት እቲ ከባቢ ዘለዎ ክሌማ ንሕማም ዓሶን ሕጽረት ማይን ዝተቓልዐ ብምዃኑ ንክዕጸው ምኽንያት ከም ዝኾነ ጠቒሱ። ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ሓደ መዓስከር ስደተኛታት ካብ ዶብ ተዳወብቲ ሃገራት ብውሑድ 50 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ክህነጽ ከም ዘለዎ ተደንጊጉ'ዩ ኢሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከባ መዓስከራት ስደተኛታትን ከተማታትን ብሓፈሻ ኣስታት 200 ሽሕ ኤርትርራውያን ስደተኛታት ከም ዝነበሩን ካብኦም እቶም ኣስታት 50 ሽሕ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝርከቡ ክልተ መዓስከራት ዝርከቡ ከም ዝኾኑ እቲ ዳይረክተር ገሊጹ። ኣቶ ተስፋሁነይ ብምስዓብ ኣስታት 92 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ መዓስከራት ስደተኛታትን ከተማታትን ከም ዝነበሩ ኣብሪሁ። እቶም 49 ሽሕ ኣብ ውሽጢ መዓስከር ዝነብሩ ኮይኖም፡ እቶም ዝተረፉ ካብ መዓስከር ወጻኢ ኣብ ከተማታት መቐለን ሽረን ሓዊሱ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ዝነብሩ እዮም ኡሉ። ኣብቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኣርባዕተ መዓስከራት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ብዝነበረ ምብጻሕ መግቢ ኣብ ዓዲ ሓሩሽ 15000፣ ማይ ዓይኒ 13800፣ ሕጻጽ 11800፣ ሽመልባ 8400 ስደተኛታት ይነብሩ ምንባሮም'ውን ኣቶ ተስፋሁነይ ሓቢሩ። ይኹን'ምበር ብምኽንያት እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒት ናብ ክልቲአን መዓስከራት [ሕጻጽን ሸመልባን] ዝበጽሕ ዝነበረ ኣገልግሎት ከም ዝተቛረጸን ሰራሕተኛታትን ትካላት ውሃብቲ ረድኤት'ውን ካብቲ ቦታ ከም ዝወጽኡን ብምግላጽ፡ ዝምታን ካልእ ዝበጽሐ ዕንወትን ከምኡ'ውን ምቁራጽ ኣገልግሎት ስልኪ ናብቲ ቦታ ክበጽሑ ከም ዘየኽኣሎም ተዛሪቡ። \"እቲ ናይ ሕጊ ምኽባር ስርሒት ንስደተኛታት ዒላማ ዝገበረ'ኳ እንተዘይኮነ፡ ብፍላይ መዓስከራት ሕጻጽን ሽመልባን ኣብ ከባቢ እቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ዝካየደሉ ቦታ ዝተደኮና ብምዃነን ክንበጽሖም ኣይክኣልናን። ካብዚ ብዝብገስ ነቶም መዓስከራት ዝነበረ ዝኾነ ዓይነት ኣገልግሎት ጠጠው ኢሉ\" ኢሉ። መዓስከራት ስደተኛታት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓሩሽን ተዛማዲ ሰላም ዘለዎምን ንመገዲ ምቹኣትን ከምኡ'ውን ክሳብ 70 ሚኢታዊት ናይ መዓስከር ነባሪ ዝርከበሎም ስለኾኑ፡ ነዚኦም ትኹረት ብምሃብ ሰሪሕና ኢና ይብል ኣቶ ተስፋሁን። ኣብ ወርሒ ታሕሳስን ጥርን ክበጽሕ ዝግብኦ መግቢ ከም ዝበጽሐን ናይ ወርሒ ለካቲት ንምብጻሕ'ውን ምድላው ከም ዝገበሩን ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ። ካልኦት ኣገልግሎታት ማይን ሕክምናን ኣይ-ኣር-ሲ (IRC) ምስ ዝተባህለ ትካል ብምትሕብባር ጽገናታት ብምግባር እቶም ስደተኛታት ኣገልግሎት ንክረኽቡ ከም ዝተገብ'ውን ጠቒሱ። ንሱ ከምዝብሎ፡ እቶም ኣብ መዓስከራት ሕጻጽን ሽመልባን ዝነበሩ ስደተኛታት ናብተን ውሑሳት ዝተባህላ መዓስከራት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ክመጽኡ ይግበር ኣሎ። ብኻልእ ወገን ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ትግራይ ብዘሎ ግጭት 20 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ሕጻጽን ሽመልባን ጠፊኦም ዝብል ዜና ብዝተፈላለዩ ማዕኸናት ዜና ተጋዊሑ ነይሩ። ምስቲ ግጭት ብዝተሓሓዝ ብርክት ዝበሉ ዘይመንግስታውያን ትካላት ቅልውላው እቲ ክልል ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ከም ዝኾነ ክገልጹ እንከለው፡ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽን ሽመልባን ዝሃደሙ 20 ሽሕ ኤርትራውያን ኣበይ ከም ዝኣተው ኣይፍለጥን ተባሂሉ ነይሩ። እቲ ዳይሬክተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ \"19 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵኣ ከም ዘለው ንፈልጥ ኢና፤ ብጥምየትን ሕማምን ዝተጎድኡ'ውን ክህልው ይክእሉ እዮም። ይኹን'ምበር ዝጠፍአ ሰብ የለን\" ኢሉ። ውሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ክሪስ መልዘር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕተት፡ ኩነታት ናይቶም ኣብ መኣስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ዝነበሩ ኣሽሓት ኤርትራውያን ክፈልጥ ከም ዘይክኣለ ብምግላጽ፡ መብዛሕትኦም ኣብ ከባቢ ሽረ ፋሕ ፋሕ ኢሎም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዝርከቡ ገሊጹ ነይሩ። ገለ ካብቶም ስደተኛታት ከም ዝተቐትሉን ተጨውዮም ናብ ኤርትራ ከም ዝተወስዱን ዝገልጹ ጸብጻባት ከም ዝብጽሖም ዝገለጸ መልዘር፡ እቲ ኣሻቓሊ ጸብጻብ ሓቂ እንተኾይኑ \"ከቢድ ምጥሓስ ዓለምለኻዊ ሕጊ\" ምዃኑ ኣጠንቂቑ ነይሩ። ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ስደተኛታትን ተመለስቲ ስደትን ኣቶ ተስፋሁን ጎበዛይ ግን እቶም ስደተኛታት ካብ መዓስከራት ወጺኦም ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ይነብሩ ኣለዉ ኢሉ። \"ብሓፈሻ ኣብ ክልቲኦም መዓስከራት 19 ሽሕን 200 ስደተኛታት ነይሮም፤ ካብዚኦም ክሳብ ትማሊ ልዕሊ 4600 ስደተኛታት ናብ ዓዲ ሓሩሽን ማይ ዓይንን ኣሰጋጊርናዮም ኣለና። ሎሚ መዓልቲ ድማ ልዕሊ 300 ስደተኛታት ክንመለስ ትጽቢት ንገብር። \"ብተወሳኺ ልዕሊ 3 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ኣዲስ ኣባባ ከምዘለዉ ሓበሬታ ኣለና። ስለዚ ብርግጽ ኣበይ ኣለው ኢልና ዝፈለጥናዮም ስደተኛታት ኣስታት 10 ሽሕ ኮይኖም እቶም ዝተረፉ ድማ ንእልሾም ኣለና\" ይብል። ኣብ ከተማታት ሸራሮ፣ ሽረን ባድመን ከምኡ'ውን ኣብ ደባርቅ፣ ጎንደር፣ ወረታን ደሴን ብዙሓት ስደተኛታት ከም ዘለው ሓበሬታ ኣሎ ዝበለ ኣቶ ተስፋሁነይ: ነዚኦም ከይድካ ናይ ምምዝጋብን ምጽናዕን ስራሓት ይካይድ ከም ዘሎ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መዓስከር ሕጻጽ ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ መዓስከር ስደተኛታት ሽመልባ ክሰግሩ መደብ'ኳ ወጺኡ እንተነበረ ምስ ክስተት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተተሓሒዙ ግን ናብ ሽመልባ ከይሰገሩ እቲ ኲናት ኣርኪቡዎም።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56002859"} {"headline":"ሰብመዚ ትግራይ ልዕሊ 4000 ኣባላት እዚ ሰሜን ዝነበሩ ወታሃደራት ከምዝለቐቑ ኣፍሊጦም","content":"ኣባላት ናይቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበረ 'ሰሜን እዝ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክፋል ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበሩ ልዕሊ 2600 ወታሃደራት ናብ ቤተሰቦም ከምዝተፋነዉ ሰብመዚ ትግራይ ኣፍሊጦም። ሓደ ብዓል ብዓልመዚ ንተለቪዥን ድምጺ ወያነ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ብሰኑይ 30 ሕዳር'ውን ልዕሊ 1800 ከምዘፋንዉ ሓቢሩ። መንግስታዊ ኣገልግሎት ተለቪዥን ኢትዮጵያ፡ ኢቢሲ፡ ብወገኑ ልዕሊ 3 ሽሕ ብህወሓት \"ተዓፊኖም\" ነይሮም ዝበሎም ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ኣይንዋጋእን ኢሎም ዝሃደሙ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ኣብ ከተማ ደባርቕ ከምዝኣተዉ ሓቢሩ'ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ መዓስከራት እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ፈጺሞም ብምባል'ዩ፡ ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ። እቲ ብ4 ሕዳር ዝጀመረ ወታሃደራዊ ስርሒታት ሰራዊት ምክልኻል ድሕሪ ምትሓዝ ከተማ መቐለ ከምዘብቅዐ'ኳ እንተሓበረ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስቲ ፈደራልን ትግራይን ውግእ ይቕጽል ምህላዉ፡ መራሕቲ ትግራይ ገሊጾም። ብሰንኪ'ቲ ግጭት፡ ልዕሊ 43,000 ሰባት ካብ ትግራይ ተፈናቒሎም ናብ ሱዳን ኣትዮም ምህላዎም ትካላት ረዲኤት ይሕብራ ኣለዋ። ኣብዚ እዋን'ዚ ሰራዊት ፈደራል መቐለ እትርከበን ሓያሎ ቀንዲ ከተማታት ተቖጻጺሩ'ኳ እንተሎ፡ ትማሊ ሓይልታት ትግራይ ንከተማ ኣክሱም ካብ ኢድ ሰራዊት ፈደራል \"ናጻ\" ከምዘውጽእዋ ተዛሪቦም ነይሮም። መስመራት ተሌፎንን ኢንተርነትን ኣብቲ ክልል ተቋሪጹ ምህላዉ፡ ነቶም ምዕባለታት ንምክትታል ይኹን ሓቅነቶም ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኮይኑ ይርከብ። ካብን ናብን ዝግበር መጓዓዝያ'ውን ተኣጊዱ ምህላዉ፡ ኩነታት ናይቶም ህጹጽ ሰባዊ ረዲኤት ዘድልዮም ሚልዮናት ዜጋታትን፡ ኣስታት 100,000 ዓለምለኻዊ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ። ክልቲኦም ወገናት ኣቐዲሞም ኣብቲ ክልል ህጹጽ እዋን ኣዊጆም ምንባሮም ይዝከር። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን: ብፖለቲካውን ሕገመንግስታውን ጉዳያት ንነዊሕ እዋን ክተፋነኑ ጸኒሖም። ብ 3 ሕዳር ለይቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ንመዓስከራት ናይቲ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣጥቂዖም ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር አብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ናብ ቅሉዕ ጎነጽ ኣምሪሖም። እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብሓደ ዓመት ድሕሪ ምንውሑ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ርክብ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሑ። ምንዋሕ ናይቲ ምርጫ ዝተቓወመ ህወሓት፡ ኣብ ትግራይ ክልላዊ ምርጫ ንምክያድ ብዝወሰዶ በይናዊ ውሳነ መሰረት፡ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ብምቛም ኣብ መጀመርታ መስከረም ምርጫ ኣካይዱ። ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራል ብወገኑ፡ እቲ ምርጫ \"ዘይሕጋዊ\" ምዃኑ ብምፍላጥ፡ ነቲ ሓድሽ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍልጦ ከምዘይህቦ ኣዊጁ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ ድሕሪ መስከረም፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ስልጣኑ ዘብቀዐ'ዩ ብምባል ኣፍልጦ ነፊግዎ። ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ'ውን፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዘቕውም ብምግላጽ፡ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሸይሙ። መራሕቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነዚ ውሳነ \"ክፍጸም ዘይክእል ሕልሚ ቀትሪ\" ክብሉ ነጺጎምዎ። ነቲ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት \"ወራር መንግስቲ ፌደራል\" እናበሉ ዝገልጽዎ መራሕቲ ትግራይ፡ ንኣስታት ሰለስተ ሰሙን ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ምስ ፍሉይ ሓይልን ምልሻታትን ክልል ኣምሓራን ይዋግኡ ኣለዉ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55135895"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ መዓስከራት ንዝሃደሙ ኤርትራውያን ስደተኛታት ይመልሶም ምህላው ኣፍሊጡ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ካብቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መዓስከራት ስደተኛታት ወጺኦም ናብ ካልእ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝተቐሳቐሱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብቲ ዝነበርዎ መስከራት ይመልሶም ምህላው ገሊጹ። ብዙሓት ''ጌጋ ሓበሬታ'' ዘለዎም ስደተኛታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሪሽን ተበጊሶም ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተው ኣብቲ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ። ኣብዚ እዋን'ዚ፡ እቶም መዓስከራት ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምህላዎም፡ ነቶም ስደተኛታት ብውሑስ መገዲ ነናብ መዓስከሮም ክመልሶም ምዃኑ ሓቢሩ። ካብ ምቁጽጻር ወጻኢ ዝኾነ ምንቕስቃስ ኣብ ውሕስነትን፡ ጸጥታን ከምኡ'ውን ዝተወሃሃደ ሓገዝ ኣብ ምቕራብን ኣጸጋሚ'ዩ ክብል'ውን ተዛሪቡ። እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ''ሕግን ስርዓትን ንምኽባር ዝተወስደተ ወተሃደራዊ ስርሒት''፡ ኣብ ውሽጢ መዓስከር ስደተኛታትን ካብኡ ወጻእን ንዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብቐጥታ ዘስግእ ኣይነበረን ኢሉ። እንተኾነ፡ ትካል ስተደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዘሻቕል ኩነታት ወሪዱ ከምዘሎን፡ ኣብቲ መዓስከራት ዝነበረ ናይ መግቢ ቀረብ ተወዲኡ ዝብላዕ ከምዘይብሎም ገሊጹ። ሎሚ ዓርቢ ኣፈኛ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ንቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ \"ሃለዋት ናይቶም ስደተኛታት ስለዘይብልና ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ሻቕሎት ንርከብ ኣለና\" ኢሉ። \"ሒደት ካብኦም ናብ ሱዳን ኣትዮም ከምዘለዎ ፈሊጥና ኣለና\" ዝበለ ክሪስ መልዘር: ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝወጹ ከምዘለዉ'ን ጠቒሱ። ካብ ኣዲስ ኣበባ ብኣውቶቡሳት ናብ መዓስከሮም ዝተመልሱ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ከምዘለዉ'ውን እቲ ወኪል ተዛሪቡ። ንሱ፡ ነቶም ስደተኛታት ሰባዊ ሓገዝ ንምሃብ ናብቶም መዓስከራት ክኣትዉ ክፍቀደሎም ይሓቱ ከምዘለዉ'ን ሓቢሩ። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ስደተኛታት ብወገኖም፡ ብጥምየት ይሳቐዩ ከምዘለዉን፡ ብፍላይ ኣብ መዓስከር ዓዲ-ሓሩሽ፡ ኣገልግሎት ሕክምናን ማይን ከምዘይብሎም ተዛሪቦም ነይሮም። ተሓለቕቲ መሰላት ስደተኛታት ኤርትራ፡ ገለ ካብኦም ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ከምዝተወስዱ ክገልጹ ምጽንሖምን፡ ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ፡ በቶም ጸብጻባት ከምዝተሻቐለን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕነቶም ከውሕስ ሓላፍነት ከምዘለዎን ኣዘኻኺሩ ነይሩ። ክሳብ ሕጂ ሰራሕተኛታት ሰባዊ ረዲኤት ናብቶም መዓስከራት ስደተኛታት ክኣትዉ ከምዘይክኣሉ ትካላት ረዲኤት ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ። እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ኣህጉራዊ ትካል ድሕነትን ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ዴንማርክን ዝተባህሉ ክልተ ትካላ ትረዲኤት ሰራሕተኛታቶም ኣብ ትግራይ ከምዝተቐትሉ ገሊጾም። ኣህጉራዊ ትካል ድሕነት (ኢንተርናሽናል ረስክዩ ኮሚቲ) ሓደ ካብ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ጥቓ ከተማ ሽረ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽ ከምዝተቐትለ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። እቲ ኣህጉራዊ ናይ ድሕነት ትካል ብሞት ኣባሉ ከቢድ ሓዘን ከምዝተሰመዖ ገሊጹ'ሎ። ብመንን ኣብ ከመይ ኩነታትን ከምዝተቐተለ ንምፍላጥ ሓበሬታታት ይኣኻኽቡ ከምዘለዉ ጠቒሱ። ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ዴንማርክ (ዳኒሽ ረፊጂ ካውንስል) ብወገኑ፡ ካብቶም ዝተቐትሉ ሰራሕተኛታቱ፡ ኣብ ሓደ ናይቲ ትካል ፕሮጀክት ዝሰርሑ ዝነበሩ 3 ዋርድያታት ከምዝርከብዎም ሓቢሩ። ኣበይ፡ ብኸመይን ብመንን ከምዝተቐትሉ ግን ኣብቲ ዘውጽኦ መግለጺ ኣይጠቐሰን። ሃለዋት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኢትዮጵያ ብውሑዱ ንኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ስደተኛታት ካብ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማልያ፡ ኤርትራ ከምኡ'ውን ሱዳን ዕቑባ ሂቡ ከምዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣስታት 200 ሚእቲ ሽሕ ከምዘለውን፡ እቶም ዝበዝሑ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ተዓቑቦም ከምዘለው መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ። እቶም ክልል ትግራይ ኣብ መዓስከራት ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ባንክታት ተዓጽየን ብምህላወን ካብ ስድራቤቶም ገንዘብ ክቕበሉ ከምዘይክእሉ ይግለጽ ኣሎ። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ እቶም ኣብ ኣርባዕተ መዓስከራት ትግራይ፡ ኣብ ዓዲ ሓርሽ፡ ማይ ዓይኒ፡ ሕጻጽን ሽመልባን ዝርከቡ ልዕሊ 96,000 ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝነበሮም መግቢ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ከምዝተወደአን ጸጥተኦም ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቐን ክገልጽ ጸኒሑ'ሎ። እቶም ስደተኛታት ኵናት ካብ ዝጅመር ክሳብ ሕጂ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘለው እዮም ክዛረቡ ጸኒሖም። ብሰንኪ'ቲ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብቲ ክልል ዝቐጸለ ውግእ፡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ካልኦት ትካላት ረዲኤትን ሰብመዚ ኢትዮጵያን ካብቲ መዓስከራት ኣቐዲሞም ብምውጽኦም፡ ብዘይ ሓለዋ ኣብ ውሽጢ ኲናት ተቐርቂሮም ይርከቡ። ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ካብ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ ቢቢሲ ዘዘራራባ ኣደ ቖልዑት ኤርትራዊት፡ ለይቲ ለይቲ ዕጡቓት ሰረቕቲ ናብቲ መዓስከር እናኣተው ብዕጥቆም ኣፈራሪሖም ቴሌፎንን ኣዋርቕን ይዘምቱ ከምዘለው ሓቢራ። ውሕስነቶምን ጸጥታኦም ኣብ ሓደጋ ዝኣተወ ስደተኛታት ሓያሎ ዓቕሎም ዝጸበቦምን ነበርቲ እተን መዓስከራት ስደተኛታት ንኣዲስ ኣበባ ክንከይድ ኢና ብምባል እግሮም ናብ ዝመርሖም ይብተኑ ከምዘለው እውን እታ ኣደ ተዛሪባ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55276879"} {"headline":"ብዓል ኣቶ ጃዋር ምሕሳም መግቢ ከቋርጹ ብሽማግለታትን ፖሎቲከኛታትን ንዝቐረበሎም ምሕጽንታ ተሓሲመሞ","content":"ንመበል 12 መዓልቶም ኣድማ ምሕሳም መግቢ ዘካየዱ ዘለዉ ብዓል ኣቶ ጃዋር፡ ነቲ ምሕሳም መግቢ ከቋርጽዎ ብመራሕቲ ሃይማኖትን ፖሎቲከኛታትን ንዝቐረበሎም ምሕጽንታ ተሓሲሞሞ። እቶም ድሕሪ ሞት ውሩይ ናይ ኣሮሞ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ተኸሲሶም ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ኣቶ ጃዋር መሓመድ፡ ኣቶ በቀለ ገርባ፡ ኣቶ ሸምሰዲን የጣሃን ሃምዛ ኣዳነን ኣብ ልዕሊ ቤተሰቦምን ፖሎቲካውያን መራሕትን ዝካየድ ዘሎ ማእሰርትን ምፍርራሕን ድው ንኽብል ንምጽዋዕ'ዮም ሎሚ ንመበል 12 መዓልቶም መግቢ ተሓሲሞም ዘለዉ። ብጀካ እዞም ኣርባዕተ ጥርጡራት ምስ ናይ ኣርባዕቲኦም ክሲ ብዝተኣሳሰር ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ውልቀሰባት'ውን ነቲ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ከምዝተጸንበርዎ ሓደ ካብ ጠበቓታት ጃዋር መሓመድ ዝኾነ ኣቶ ምስጋኑ መለታ ትማሊ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ካልእ ጠበቓ ኣቶ ጃዋር መሓመድ ዝኾነ ኣቶ ከድር ቤሎ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ ቅድሚ ሕጂ ጠበቓታቶምን መቅርቦምን እኳ መግቢ ክበልዑ እንተተማሕጸንዎም ነቲ ምሕጽንታ ክቕበልዎ ከምዘይክኣሉ ገሊጹ። ሎሚ'ውን ፍሉጣት ፖሎቲከኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ናብቲ ተኣሲረሙሉ ዘለዉ ቃሊቲ ብምኻድ እቶም ክሱሳት ነቲ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ደው ከብልዎ እኳ እንተሓተትዎም፡ እቲ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ዘካይዱ ዘለዉ ተኸሰስቲ ነቲ ምሕጽንታ ከምዘይተቐበልዎ ኣቶ ከድር ንቢቢሲ ሓቢሩ። \"ካብ ፖሎቲከኛታት ኣቦ ወንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ፡ ኣቲ ሌንጮ ለታ፡ ኣቶ ባቴ ኤርጌሳ ከምኡ'ውን ካብ መራሕቲ ሃይማኖት ስታዝ ካሚል ሸምሱ ናብ ቃልቲ ብምኻድ እንተለመንዎም ፍቃደኛታት ክኾኑ ግን ኣይክኣሉን\" ካልእ ካብ ጠበቓታት ኣቶ ጃዋር መሓመድ፡ ኣቶ ምስጋኑ ሙለታ፡ እቶም መራሕቲ ሃይማኖትን ፖሎቲከኛታት ነቲ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ደው ንክብልዎ ክልምንዎም እንከለዉ ኣብቲ ቦታ ከምዝነበረ እዩ ዝሕብር። \"ብዓል ኣቶ ጃዋር ኣዝዮም እዮም ተዳኺሞም ዘለዉ፡ ጃዋር ብዙሕ ክዛረብን ክስጉምን ኣይክእልን እዩ፡ ኣካላቱ ደኹሙ እዩ፡ ሓካይም'ውን ከይዛረብ እዮም ዝመኽርዎ ነይሮም\" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ። \"እቶም ንሽምግልና ዝኸዱ ሰባት መግቢ ብልዑ ኢሎም ለሚኖሞም ንሶም ግን ፍቃደኛታት ክኾኑ ኣይክኣሉን\" ይብል። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ሓካይም \"መርመራ ምስ ገበርሎም ማይ እንተዘይሰትዮም ገለ ክፋል ኣካላቶም ካብ ስራሕ ወጻኢ ክኸውን ከምዝኽእል ምስ ነገርዎም ማይ ብሓይሊ ክወስዱ ጀሚሮም፡ መግቢ ግን ክሳብ ሕጂ ብጎሮሮኦም ኣይወረደን\" ኣቶ ምስጋኑ ሙለታ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ብዓል ኣቲ ጀዋር መሓመድ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ዘካየድሉ ዘለዉ ቀንዲ ዕላማ፡ ኣብ ልዕሊ ፖሎቲከኛታት ዝወርድ ዘሎ ምንግልታዕን ምእሳርን ከምኡ'ውን ንዕኦም ንምብጻሕን ውዕሎ ፍርዶምን ንምክትታል ዝመጽኡ ሰባት ዝበጽሖም ዘሎ ማእሰርትን ምፍርራሕን ደው ንኽብል እዩ። ኣቲ ጀዋር መሓመድን ኣቶ በቀለ ገርባን ዝርከብዎም ብዙሃት ፖሎቲከኛታት ድሕሪ ሞት ውሩይ ናይ ኦሮሞ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝተለዓለ ዕግርግር ተተሓሒዙ ኣብቲ ዕግርግር ኢድ ነይርኩም'ዩ ብዝብል ክሲ'ዮም ኣብ ቀይዲ ኣትዩም። ልክዕ ከም ናይ ብዓል ኣቶ ጀዋር መሓመድ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ'ውን ኣብ ኣድማ ምሕሳም መግቢ እዮም ዝርከቡ። ኣቶ ሚካኤል ቦረን ኣቶ ኬነሳ ኣያና ቤት ፍርዲ ብዋሕስ ተፈቲሖም ጉዳዮም ኣብ ደገ ኮይኖም ክከታተሉ እኳ ብይን እንተሃበ፡ ፖሊስ ግን ነቶም እሱራት ካብ ቀይዲ ስለዘየውጽኦም ነቲ ውሳነ ናይ ፖሊስ ንምቅዋም ኣብ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ከምዝርከቡ ጠበቓኦም ኣቶ ቱሊ ባይሳ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ኮምሽነር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶክተር ዳንኤል በቀለ እቲ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ነቶም ተኸሰስቲ (እሱራት) ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ከየውድቖም ምክትታል ከምዘድልዮም ገሊጹ። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ \"እቶም እሱራት ኣድማ ምሕሳም መግቢ ንኸካይዱ ምክንያት ዝኾነ ነገር ኣብ ቤት ፍርዲ ከምኡ'ውን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ቆላሕታ ክውሃቦ ኣለዎ\" ኢሉ። ኣድማ ምሕሳም መግቢ ሓደ ካብ ሰለማዊ ኣገባብ ተቓውሞ እዩ። ኣብ ታሪኽ ከኣ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ብምዃን ብምሕሳም መግቢ ተቓውምኦም ዘስምዑ ፍሉጣት ሰባት ኣለዉ። ሓደ ካብ ክፍለ ግዝኣት ህንዲ ዝተሰጎገ ንጉስ ሓዉ ንኽምለስ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ምግባሩ ኣብ ጥንታዊ ታሪኽ ሰፊሩ ኣሎ። ኣይርላንድ ሃይማኖት ክርስትና ቅድሚ ምቕባላ፡ ጥሜት ሓደ ካብ ኣገባብ መቕጻዕቲ ገይራቶ ነይራ። ኣብ ኣየርላንድ፡ ሓደ ሰብ በደል ምስ ዝፍጽም፡ እቲ ዝተበደለ ኣብ ኣፍደገ በሳሊ ከይዱ ብኣድማ ምሕሳም መግቢ ምስ ዝመውት ቀተልቱ እቶም በደልቱ'ዮም ዝብል ሕጊ ነይርዋ። እቶም ኣድማ ምሕሳም መግቢ ዘካይዱ ሰባት ኣብ ልዕሊ 'በደልትና'ዮም' ዝብልዎም ሰባት ስነኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ንምፍጣር ኢሎም እዮም ዘካይድዎ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምርጫ ንክሳተፋ ንኽፍቀደለን ኣድማ ምሕሳም መግቢ ኣካይደን ምንባረን'ውን ይፍለጥ። ብፍላይ ማርዮን ደንሉፕ ዝተባህለት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ 1909 ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ዓዲ እንግሊዝ ኢላ ዘካየደቶ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ዝያዳ ትዝከር። ማርዮን ደንሉፕ \"ድራር እንታይ ኢኺ ትበልዒ?\" ተባሂላ ምስ ተሓተተት፡ \"ቆራጽነተይ\" ኢላ ትምልስ ምንባራ ኣብ ታሪኻ ሰፊሩ ኣሎ። ጉዳይ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ክልዓል እንከሎ ብግሉሕ ስሙ ካብ ዝጠቀሱ ሓደ ድማ ፍሉጥ ህንዳዊ ተቓላሳይ ማህተማ ጋንዲ እዩ። ብዛዕባ ኣድማ ምሕሳም መግቢ መጽሓፍ ዝጽሓፈ ፕሮፌሰር ሻርማን ኣፕት ራሰል ኣብ ዕስራ ክፍለ ዘመን ፖሎቲካዊ ሕቶ ንምቕራብ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ሓደ ካብ ኣገባባት ኮይኑ ምህላዉ እዩ ኣብ መጽሓፉ ኣስፊሩ። ኣድማ ምሕሳም መግቢ ውጽኢት የምጽእ እዩ፡ ጎኒ ጎኑ ኸኣ ብዘይ ውጽኢት ዝፈሸለ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ከምዝነበረ ፕሮፌሰር ራሰል ይጠቅስ። ኣብ ዝበዝሐ ኣድማ ምሕሳም መግቢ እቶም ተቓውሞ ዘካይዱ ሰባት መግቢ ደው ኣቢሎም ፈሳሲ ጥራይ ከምዝወስዱ ሰብ ሞያ ይሕብሩ። ኣብ መጀመርታ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ሰብነቶም ብዝጸንሐ ግልኮስ መጠናዊ ሓይሊ ክረኽቡ ይጸንሑ። ብድሕሪ እዚ ኩሊቶም ኣብ ኣካላቶም ንዘሎ ስብሒ ከሕቅቖ ከምዝጅምር ሰብ ሞያ ጥዕና ይጠቕሱ። ድሕሪ እዚ ግን ኣካላቶም ብጥምየት ክትጥቃዕ ስለዝጅምር መላግቦታቶም ንኣካላቶም ምጻር ይስእን፡ እዚ ደረጃ እዚ ኸኣ ሓደገኛ መድረኽ እዩ። ሳይንቲፊክ ኣመሪካ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ገጻቱ ኣብ ዘስፈሮ ምርምራዊ ጽሑፍ፡ ሓደ ሰብ ብዘይ መግቢ ንኽንደይ መዓልታት ክጸንሕ ይኽእል ንዝብል ሕቶ፡ ኣብ ክብደት ሰብነት፡ ኩነታት ጥዕና፡ ኣብ ዓይነት ጀነቲካዊ ተፈጥሮን ኣብ መጠን ዝርኽብዎ ብዝሕን ዓይነተትን ፈሳሲ ከምዝምርኮስ ጠቒሱ ኣሎ። ማህተማ ጋንዲ ኣብ መበል 74 ዓመቱ ን21 መዓልታት መግቢ ከይለኸፈ ፈሳሲ ጥራይ እናወሰደ እዩ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ኣካይዱ። ብሪቲሽ መዲካል ጆርናል ንሰብ ሞያ ብምውካስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ'ውን ን28፡ 36፡ 38 ከምኡ'ውን 40 መዓልታት ብዘይምቁራጽ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ዝገበሩ ሰባት ከምዘለዉ ጠቒሱ ኣሎ። ኣብ 1981 ኣብ ኣየርላንድ ብኣድማ ምሕሳም መግቢ ተቓውሞ ዘካይዱ ዝነበሩ 10 ሰባት ኣብ ውሽጢ 46 ክሳብ 73 መዓልታት ክሞቱ ክኢሎም እዮም። ሰብ ኣብ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ክጸንሓሉ ዝኽልእ መዓልታት ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክፈላለ ከምዝክእል ዝገልጹ ሰብሞያ: ማእካለይ ገምጋም ሓደ ኣብ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ዝርከብ ብህይወት ክጸንሓሉ ዝኽእል መዓልታት 21 ምዃኑ ይጠቕሱ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55983113"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ: ካብ ስልጣኖም ዝተወገዱ መራሕቲ ህወሓት ንሰላማዊ 'ዝርርብ ቅድመ-ኩነት ኣንቢሮም'","content":"እቶም ኣብ ክልል ትግራይ ስልጣን ሒዞም ዝነበሩ መራሕቲ ህወሓት፡ ምስ መንግስቲ ቅድሚ ምዝርራቦም ክፍጸሙ ኣለዎም ዝበልዎም ቅድመ-ኩነታት ኣንቢሮም። እቲ መግለጺ ኣብቲ ምስ ህወሓት ርክብ ኣለዎ ተባሂሉ ዝግለጽ 'ትግራይ ሜድያ ሃውስ' (TMH) እዩ ተቓሊሑ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን: ብፖለቲካውን ሕገመንግስታውን ጉዳያት ንነዊሕ እዋን ክተፋነኑ ድሕሪ ምጽንሖም'ዮም ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር 2020 ናብ ረጽሚ ኣምሪሖም።። ብ3 ሕዳር ለይቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ንመዓስከራት ናይቲ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ድሕሪ ምጥቅዖም ቀዳማይ ሚኒስተር አብዪ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ህወሓት ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ። ህወሓት ድማ፡ ነቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝተቖጻጸሩዎ፡ ሓይልታት ፌደራል ኣብ ልዕሊኦም መጥቃዕቲ ቅደሚ ምፍጻሞም ዝወሰድዎ 'ናይ ምክልለል ስጉምቲ' ምዃኑ'ም ዝገልጹ። ዋላ'ኳ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ እቲ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ዝተወስደ ወታሃደራዊ ስርሒት ብዓወት ሰራዊቱ ከምዝተዛዘም ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር እንተገለጸ፡ እቲ ኲናት ይቕጽል ከምዘሎ'ዩ ዝግለጽ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ን96 ቀንዲ መራሕቲ ህወሓት ዝርከቡዎም 349 ጥርጡራት ተታሒዞም ክእሰሩ ምእዛዙ ይዝከር። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነበር ኣቶ ስዩም ምስፍን፡ ኣቶ ኣባይ ጸሃየ፡ ኣቶ ስመላሽ ወልደስላሰ ዝርከቦም ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ነበር ክቕተሉ እንከለዉ፡ ኣቶ ስብሓት ነጋ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ሓፍቱን፡ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዝነበረ ኣቶ ኣባይ ወልዱ ዝርከብዎም ድማ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ይርከቡ። ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ብምፍጻምን ዕጥቃዊ ምልዕዓል ብምክያድ ዝብሉ ክስታት ክሕደት ሃገር ተመስሪቶምሎም ምህላዎም ይግለጽ። እቲ በቶም ንልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ናብ በረኻታት ትግራይ ኣንሳሒቦም ዝርከቡ መራሕቲ ዝወጸ መግለጺ ነዞም ዝስዕቡ ቅደመ-ኩነታት ኣቐሚጡ'ሎ፡ ኣቐዲሙ ነቲ ግጭት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍትሑ ዝተፈተነ ጻዕሪ ብሰንኪ ኣብያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘይተዓወተ ይፍለጥ። ብዛዕባ'ቲ ሓድሽ እማመ ዛጊት ካብ መንግስቲ ዝተዋህበ መግለጺ የለን። \"ህወሓት ዝበሃል ውድብ ከም ውድብ የለን\" ክብል ሓደ ላዕለዋይ ወታሃደራዊ መኮንን ብዓርቢ ተዛሪቡ ነይሩ። እቲ ናይ ሕጂ መግለጺ መራሕቲ ህወሓት እንታይ ዘበገሶ ምዃኑ ዛጊት ብንጹር ዝተፈልጠ ነገር የለን። ኣብ መጀመርታ ናይቲ ሰሙን፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ናይቲ ክልል ህዝቢ ካብቶም ምስኡ ተጸጊዖም ኣለዉ ዝበሎም ሓይልታት ህወሓት ክፍለን ግዳይ ናይቲ ዝውሰድ ስጉምቲ ከይከውንን ኣጠንቂቑ ነይሩ'ዩ። ኣብቲ ኲናት ቁጽሮም ብንጹር ዘይተፈልጡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት። ኤርትራን ግጭት ትግራይን ኣብ ፈለማ መዓልታት ናይቲ ኵናት መራሕቲ ህወሓት፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጎኒ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምስላፍ ደብዳባት የካይድ ምንባሩን፡ ሓያሎ ኣሃዱታት ኣብ ትግራይ ኣእትዩ ምንባሩን ክኸሱ ተሰሚዖም። ብሰሉስ 10 ሕዳር፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል ግን ኤርትራ \"ኣብ ውሽጣዊ ግጭት [ኢትዮጵያ]\" ከምዘይትኣቱ ተዛሪቡ። ገለ ኣሃዱታት ሰሜን እዝ ብወገን ኤርትራ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈቱ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተዛሪቦም'ዮም። ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ዶባት ምስ ሓይልታት ትግራይ ተዋጊኦም ምንባሮምን፡ ወታሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ሆስፒታላት ኤርትራ ይእለዩ ምንባሮም'ውን ቢቢሲ ኣረጋጊጹ ነይሩ። ብ14 ሕዳር ንፈለማ እዋን ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣስመራ ናይ ሚሳይላት ደብዳብ ኣካይዶም። ዕለት 26ን 27ን ሕዳር'ውን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኤርትራ ኣካይዶምም። ኤርትራ ብዛዕባ'ቲ ብቐጻሊ ዝተኻየደ ደብዳባት ዝሃበቶ ወግዓዊ መግለጺ ኣይነበረን። ሕብረት ኤውሮጳ ብዕለት 8 ለካቲት 2021 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ \"ንጻውዒት ኣመሪካ ብምድጋፍ፡ ወታሃደራት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ ንጽውዕ\" ኢሉ። ኣመሪካ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹ ብቐጥታ ንመንግስቲ ኤርትራ ከምዝሓተተት ኣነጺራ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ክስታት ኣመሪካ \"ግጉያትን ግምታውን\" እዮም ብምባል መንግስቱ ነቲ ክሲ ከምዝነጽጎ ኣፍሊጡ'ዩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብ17 ለካቲት ምስ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኣብ ዘካይዶ ቃለመሕትት ናይ ኢትዮጵያ ኩነታት ከምዘገድሶ ተዛሪቡ። \"ንሕናው'ን ካብ ካልኦት ህዝብታት ብዝተፈልየ ድሕሪ 80 ዓመታት ሽግር ዝራኣናሉ ጉዳይ ስለዝኾነ፡ ናይ ኢትዮጵያ ቅሳነትን ርግኣትን ካብ ካልኦት ህዝብታት ናይዚ ጎዶቦ ዝያዳ የገድሰና። \"ብኡ መጠን ከኣ ግዴታና ግቡእና ከነበርክት ኣለና ኢልና ንሰርሕ ኣለና\" ክብል ንተራ ኤርትራ ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ ኢትዮጵያ ገሊጹ። እንታይ ዓይነት ኣበርክቶ ምዃኑ ግን ብንጹር ኣይጠቐሰን። ብዛዕባ ወታሃደራዊ ምትእትታው ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ግን ዝኾነ ንጹር ሓበሬታ ኣይሃበን። ዓመዓባብላ ናይቲ ግጭት ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገ መንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ። ጠንቂ ናይቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ መጋቢት 2018 ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣንን ምድኻምን ምድፋእን ህወሓት ካብቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዓብላልነት ሒዙዎ ዝነበረ ፈደራላዊ ስልጣንን ዝተኣሳሰር'ዩ። ኣብ 2019 ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ እቲ ፖለቲካዊ ፍትሕ ወግዓዊ ኮይኑ። በዚ ድማ ብልጽግና ገዛኢ ሰልፊ ኮይኑ፡ ህወሓት ከኣ ከም ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብዶ\/ር ኣብዪ ዝምራሕ ብልጽግና ደው ኢሉ። ኣብ መጋቢት 2020 ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል'ዩ ዝብል ምጉት ብምልዓል ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን። እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይቲ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ዝነበሮ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ንውሳነ ኮሚሽን ምርጫ ብምርዓም፡ ዕድመ ስልጣን ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት ክናዋሕ ውሳነ ኣሕሊፉ። ህወሓትን እቲ ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብወገኖም፡ እቲ ውሳነ \"ዘይሕገ መንግስታዊን\" \"ዘይሕጋውን\" ብምባል ንውሳነ ናይቲ ቤት ምኽሪ ነጺግዎ። ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልቲኡ ባይቶታትን ኣፍልጦ ከምዘይህቦም'ውን ኣፍሊጡ። ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ መንግስትን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ግን እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ምርጫ፡ \"ዘይሕጋዊን ትርጉም ኣልቦን\" ምዃኑ ብምግላጽ ኣፍልጦ ከምዘይህብዎ ኣፍሊጦም። ድሕሪ'ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም። እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ። 'ክራይስስ ግሩፕ' ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ፡ እቲ ምትፍናን ናብ ጎነጽ ከየምረሐ እንከሎ ብልዝብ ክፍታሕ ኣለዎ ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ። ብ3 ሕዳር ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ግን \"ናይ ሕጊ ምኽባር ስርሒት\" ዝበሎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣዊጁ። ህወሓት ድማ፡ ነቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝተቖጻጸሩዎ፡ ሓይልታት ፌደራል ናብ ትግራይ ከይኣትዉ 'ቀዲሞም ንምክልኻል' ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56132890"} {"headline":"ናይ ወርሒ ምዕባለ ቅልውላው ትግራይ - ኢትዮጵያ","content":"መንግስቲ ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፖለቲካዊ ጉዳይ ክሰሓሓቡ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ 04 ሕዳር 2020 ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኲናት ካብ ዝጅምሮ እነሆ ሓደ ወርሒ ኮይኑ ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ፍሉያት ሓይልታትን ምሊሻን ኣብ ልዕሊ እቲ ን21 ዓመታት ዶባት ሃገር ክሕሉ ኣብ ሓለዋ ተዋፊሩ ዝነበረ ሰራዊት ሰሜን እዝ ሓደጋ ብምውዳቕ ጥልመት ፈጺሞም ኢሉ ይኸስስ። መራሕቲ ህወሓት ግን ፈደራል መንግስቲ ንከጥቅዓና ምድላዋቱ ወዲኡ ኣሎ ክብሉ ምኽሳሶም ይዝከር። ቢቢሲ ትግርኛ እምበኣር ንቐንዲ ፍጻሜታት እቲ ናይ ወርሒ ኵናት ብኸምዚ ዝስዕብ ኣቕሪቡዎ እነሆ። 03 ሕዳር 2020 ኣብ መቐለን ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይን ናይ ተዅሲ ምልውዋጥ ተገይሩ። መስመር ተለፎንን ኢንተርነትን ኤሌክትሪክን እውን ተቛሪጹ። 04 ሕዳር 2020 ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ሰሜናዊ እዚ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ብምሕባር ኣድላዪ ዘበለ ዝጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ። ኤምባሲታት ኣመሪካን እንግሊዝን ኣብ ትግራይ ንዝተፈጥረ ጎንጺ ክሃድእ ተማሕጺኖም። 05 ሕዳር 2020 ሓይሊ መብራህቲ ንግዝይኡ ተመሊሱ። እንተኾነ ክይድ ምጽእ ይብል ስለ ዝነበረ ህዝቢ ኣይቀሰነን። ኣብታ ዕለት ከኣ ነፋሪት ውግእ ኣብ ሰማያት መቐለ ዘምብያ ከይዳ። 06 ሕዳር 2020 ብፍሉይ ፍቓድ ፖሊስ ትግራይ ነቲ ሃንደበት አኣብ ዝገሾ ዝነበረ ህዝቢ ነናብ ደቁን ስድርኡን ክኸይድ ካብን ናብን ትግራይ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ጀሚሩ። 08 ሕዳር 2020 ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ንኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ነበር ጀነራል ኣደም መሓመድ ካብ ስልጣኑ ኣልዩ ኣብ ክንድኡ ምኽትሉ ንዝነበረ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክኸውን ሸይሙዎ። መራኸቢ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ከኣ ጸብጺበንኦ። 09 ሕዳር 2020 ርእሰ ምምሕዳር መንግስቲ ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ቅልውላው ብኣላይነት ሕብረት ኣፍሪቃ ብሰላማዊ ዘተ መዕለቢ ክረክብ ከም ዝደሊ ገሊጹ። ሕብረት ኣውሮጳ \"እቲ ጎንጺ ብቕልጡፍ እንተዘይተፈቲሑ ንኢትዮጵያ ኮነ ነቲ ዞባ ሓደገኛ'ዩ\" ክብል ምሕጽንታ ኣቕሪቡ። 10 ሕዳር 2020 ካብ ከተማ መቐለ 28 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ ክትድብድብ ዝመጽአት ነፋሪት ብሚሳይል ተሃሪማ ምውዳቓ 'ርእየን ሰሚዐን' ዝብል ኣብ ከተማ ወጺኡ ሓጎሱ ክገልጽ ተራእዩ። ይኹን እምበር መንግስቲ ፈደራል ዝወደቐት ነፋሪት ከም ዘየላን እቲ ወረ ሓሶት ምዃኑን ሓቢሩ። ኣብቲ ዕለት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ምዕራባዊ ከባቢታት ትግራይ ደብዳብ ከበድቲ ብረታት ኣካይዱ ክብል መራሒ ክልል ትግራይ ዶ\/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ከሲሱ። ይኹን እምበር ኤርትራ፡ ሰራዊታ፡ ንሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ዶቡ ሰጊሩ ኣብ ትግራይ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ንዝብል ብመራሒ ትግራይ ዝቐረበ ክሲ ነጺጋቶ። 11 ሕዳር 2020 ሕቡራት መንግስታት ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክግበር መገዲ ክኽፈት ሓቲቱ። 12 ሕዳር 2020 ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ትዊተር ልዕልና ሕጊ ንምርግጋጽ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ክሳብ ዝዕወት ምስ ህወሓት ዝርርብ ከም ዘይህሉ ኣነጺሩ። ኣብቲ ዕለት፡ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል መመንጨዊ ጸዓት ተከዘ ከም ዝተደብደበ ሓቢሩ። 13 ሕዳር 2020 ኣብ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ፈደራል ንኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ትግራይ ክከታተል ዝቖመ ሓይሊ ዕማም፡ መመንጨዊ ጸዓት ሃይድሮ ኤሌክትሪክ ተከዘ ተሃሪሙ ዝብል ብመራሕቲ ህወሓት ዝቐረበ ክሲ ሓሶት ምዃኑ ገሊጹ። ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣብይ ኣሕመድ ሓይልታት ክልል ትግራይ ናብ ሓይልታት ፈደራል ኢዶም ክህቡ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዕድል ሂቡ። ኣብ ከተማታት ባህርዳርን ጎንደርን ደብዳብ ሮኬት ተካይዱ። ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ግጭት፡ ብዓሰርተታት ምናልባት'ውን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሲቪላውያን ብጃምላ ከም ዝተቐትሉ ተጣባቒ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ገሊጹ። እቲ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ክልል ትግራይ ተፈጺሙ ዝተባህለ ጃምላዊ ቅትለት ሓቂ ምዃኑ እንተድኣ ተረጋጊጹ፡ \"ገበናት ኲናት ክኸውን ከም ዝኽእል\" ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ። 14 ሕዳር 2020 ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ማይ ካድራ ንዝተፈጸመ ሰብኣዊ ቅልውላው ብቅልጡፍ ዘጻሪ ጉጅለ ናብቲ ቦታ ከም ዝልኣኸ ገሊጹ። ኣብ ኣስመራ ሰለስተ ተኸታታሊ ሓያል ነቱጕ ከምዝተሰምዐ ነበርቲ እታ ከተማ ሓቢሮም። ንጽባሒቱ ከኣ በቲ ዘጋጠመ ናይ ሚሳይል ደብዳብ ክልተ ሰባት ከምዝተሃርሙን ካልእ ዝሰዓበ ጉድኣት ከም ዘይነበረን ተሓቢሩ። 15 ሕዳር 2020 ኣፈኛ መንግስቲ ትግራይ፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣስመራ ሮኬት ከም ዘወንጨፉ ገሊጹ። 16 ሕዳር 2020 ፕረዚደንት ኬንያ ኡህሩ ኬንያታን ፕረዚደንት ኡጋንዳ ኡወሪ ሞሰቬኒን ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ቅልውላው ሰላማዊ ፍታሕ ክናደየሉ ጻዊዖም። ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ነፋሪት ውግእ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ከተማ መቐለ ደብዳብ ኣካይዳ። 17 ሕዳር 2020 ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣባላት ፍሉይ ሓይልን ምልሻን ትግራይ ንሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኢዶም ብምሃብ ነብሶም ከድሕኑ ዝተወሃቦም መዓልታት ከምዘብቐዐ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝጠቀዖ ጽሑፍ ገሊጹ። 18 ሕዳር 2020 መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህወሓት ቀጥታዊ ርክብ ኣለዎም ንዝበሎም ጀነራላት ዝርከብዎም 76 ወተሃደራውያን መኮንናት ኣብ ዝተታሕዝዎ ክእሰሩ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ። ዶክተር ደብረጽየን ራያን ከተማ ሽረን ብሓይልታት ፈደራል ከም ዝተትሓ ገሊጹ። 19 ሕዳር 2020 ነፈርቲ ንከተማ መቐለ ደብዲበን። ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብቲ ደብዳብ ቆሲሎም ናይ ዝበሎም ተመሃሮ ስእልታት ኣቕሪባ። ኣብ ባህርዳር ንካልኣይ ግዜ ናይ ሮኬት መጥቃዕቲ ከም ዘጋጠመ ነበርትን ምምሕዳር እቲ ክልልን ኣፍሊጦም። 20 ሕዳር 2020 ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት - ዩኒሴፍ፡ ኣብ ትግራይ ኣስታት 2.3 ሚልዮን ህጻናት ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮም ሓቢሩ። 22 ሕዳር 2020 ህዝቢ ከተማ መቐለ ነቶም ብሕጊ ዝድለዩ ዘለው ኣካላት አሕሊፉ ክህብ፤ እንተዘይክኢሉ ከኣ ነታ ከተማ ንምቁጽጻር ብታንክታትን ከቢድ ብረትን ኣብ ዝግበር ኵናት መታን ከይልከም ነብሱ ከግልል ተሓቲቱ። መራሒ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኢዶም ንክህቡ ዳግማይ ዝተዋህቦም ናይ 72 ሰዓታት መጠንቀቕታን ጻውዒትን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ብምንጻግ፡ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት መንግስቲ ትግራይ ቃልሱ ከም ዘሐይል ተዛሪቡ። ድሕሪ'ቲ ናይ 72 ሰዓታት መጠንቀቕታ ምብቅዑ፡ ኣብይ ኣሕመድ ሰራዊት ምክልኻል ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ዝበሎ መጥቃዕቲ ክካይዱ ኣዚዙ። 27 ሕዳር 2020 መራሕቲ ህወሓት ምስ ልኡኻት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝዛተ ሰብ ምምዛዞም ኣፍሊጦም። ቶዅስን ተጻብኦን ደው ክብል'ውን ጸዊዖም። ብኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎዛ ዝተሓጽዩ ሰለስተ መራሕቲ ሃገራት ነበር ፕረዚደንት ነበር ጆኪዩም ቺሳኖ ካብ ሞዛምቢክ፣ ኤለን ጆንሰን ሰርሊፍ ካብ ላይቤሪያ ከምኡ'ውን ጋሌማ ሞትላንቴ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ተዘራሪቦም። ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ኣስመራ ንኻልኣይ ግዜ ከቢድ ድምጺ ሚሳይል ተሰሚዑ። ብዛዕባ ኣብ ሰብን ንብረትን ዝወረደ ጉድኣት ግን ኣይተገልጸን። 28 ሕዳር 2020 ከተማ መቐለ ብሓይልታት ፈደራል ተታሒዛ። 29 ሕዳር 2020 ሓላፊት ስርሒት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መቐለ ርኡይ ሕጽረት ናውቲ ሕክምና ከም ዘሎ ሓቢራ። 30 ሕዳር 2020 ቀዳማይ ምኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ካብ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ንዝቐረበሉ ሕቶታት መሊሱ። ኣብቲ ናይ ልዕሊ ሰለስተ ሰዓት መደርኡ፡ ብኻልእ ወገን፡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ብዛዕባ ጸጥታዊን ሰብኣውን ውሕስነት እቶም ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዝዩ ከምዝተሻቐለ ገሊጹ። መንግስቲ ትግራይ ሓይልታቱ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ነፋሪት ውግእ ፌደራላዊ መንግስቲ ወቒዖም ከምዘውደቑ ገሊጾም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ሓሶት እዩ ክብል ምላሽ ሂቡ። 01 ሕዳር 2020 ሓንቲ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኬርያ ኢብራሂም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ 'ኢዳ ሂባ' ተባሂሉ። መራሒ ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን፤ ሓይልታት ፌደራል ናብ መቐለ እንተኣተዉ'ኳ ናይቲ ክልል ሓይልታት ግን ቃልሶም ይቕጽሉ ኣለው ኢሉ። ንሱን ካልኦትን ኣብ ጥቓ መቐለ ኮይኖም ነቲ ቓልሲ ይምርሑዎ ምህላዎም ድማ ገሊጹ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጎንጺ ጠጠው ክብልን ብዘተ ክፍታሕን ጸዊዑ 02 ሕዳር 2020 ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ኲናት ዝካየደላ ዘሎ ክልል ትግራይ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ከብጽሕ ምስ መንግሰቲ ኢትዮጵያ ከም ዝተሰማምዐ ኣፍሊጡ። 04 ሕዳር 2020 ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ ብዝካየድ ዘሎ ኩናት ኣብቲ ክልል ሰብኣዊ ሓገዝ ከብጽሕ ከም ዘይከኣለ ሓቢሩ። ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ሓይልታት ትግራይ ቃልሶም ይቕጽሉ ከም ዘለው ምስ ቢቢሲ ፎከስ ኦን ኣፍሪካ ተዛሪቡ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/55192138"} {"headline":"ወተሃደራቱ ናብ ዓውደ-ውግእ ዝልእኽ ተሸላሚ ኖቤል ሰላም-ኣብዪ ኣሕመድ","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ሽልማት ኖቤል ሰላም ኣብ ዝተቐበለሉ መድረኽ፡ ኲናት መሪር ምዃኑ ብምሕባር \"ናይ ጨካናትን ኣረመኔታታን\" ክብል ገሊጽዎ ነይሩ። እንተኾነ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣዊጁ ይርከብ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ፈጺሙ ዝብሎ ገዛኢ ውድብ ትግራይ ህወሓት ሰጉምቲ ንምውሳድ ንሰለስተ ሰሙን ዝኣክል ወተሃደራቱ እናተዋግኡ ናብ ትግራይ ገስጊሶም። ህወሓት ን25 ዓመታት ብፖለቲካዊ ዕብለላ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝመርሓሉ እዋን፡ ኣብዪ እቲ ዝነበረ መጽቀጥትን ብልሽውናን ከብቅዕ ኣብ ምግባር ተስፋ ስለዝተገበረሉ ሰፊሕ ደገፍ ብምርካብ ቀዳማይ ሚንስትር ኮይኑ። እቲ ቀዳማይ ሚንስተር ዝወሰዶ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ካብ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ደገፍ እንተረኸበ'ኳ፡ እቲ \"ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ\" ዝበሎ ስጉምቲ ግን ንሱ ሕጹይ ሽልማት ኖቤል ኮይኑ ክቐርብ ካብ ሞንጎ ዝገበሩ ሰባት ሓደ ንዝኾነ ኣብ እንግሊዝ ዝነበር ሙሁር ዒላማ ብምግባሩ ነቐፌታ ይቐርብ ኣሎ። ኣብ እንግሊዝ ዩኒቨርሲቲ ኬለ መምህር ዝኾነ ኣወል ኣሎ \" ዓለምለኸ ሚድያታት ተጠቒምካ ሃገር ንምዕናው ትሰርሕ ኣለኻ\" ብዝብል ፖሊስ ከምዝኸሰሶ ካብ ሃገራዊ ቴሌቭዥን ምስምዑ ይዛረብ። ዝጽሕፎም ዓንቀጻትን ምስ ከም ቢቢሲን ኣልጀዚራን ዘካይዶም ቃለመሕትትን መንቀሊ ክስታቱ ከምዝኾኑ ድማ የረድእ። \"ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ኣብ ቀይዲ ምውዓል ዝበሃል ዝፈልጦ ነገር የለን፤ ናብ ኢትዮጵያ ምጋሸይ ግን ከቢድ ሓደጋ ክህልዎ'ዩ\" ክብል የረድእ። ናይ ኣብዪ ስርዓት ኮነ እቲ ሕሉፍ ስርዓት ንዘይምስምማዕን ተቓውሞን ዝኣልዩሉ መገዲ ኣፈላላይ የብሉን። ኣብ ኢትዮጵያ ነቲ ስርዓት ንዝቃወሙ ከምኡ'ውን ነቓፊ ዝኾነ ርእይቶ ንዘለዎም ውልቀሰባት ስቕ ንምባል ሕጋዊ ስርዓት ከም ሽፋን ምጥቃምዝተለመደ እዩ\" ይብል ኣወል። \"ምልከ-ውህዳን ትግራይ\" ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ቴድሮስ ኣድሓኖም እውን ካብቲ ብሰበስልጣን ኢትዮጵያ ዝቐርብ ክስታት ኣይተረፈን። ኣብ ውድብ ህወሓት ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገለ ብምንባሩ፤ ነቲ ፓርቲ ዝኸውን ኣጽዋር ኣብ ምቕራብ ተሳትፎ ኣለዎ ብዝብል ካብ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ክሲ ቀሪቡሉ'ዩ። ነቲ ክሲ ዝነጸገ ዶክተር ቴድሮስ \"ብኹነታት ኢትዮጵያ ሓዚነ፤ ኩሎም ኣካላት ንሰላም ክሰርሑ ከምኡ ድማ ድሕንነት ሲቪል ዜጋታት ከውሕሱን ኣብ ቀረብ ሕክምናን ሰብኣዊ ሓገዛትን ክሰርሑን እጸውዕ\" ምባሉ ይዝከር። ንመርገጺ መንግስቲ ዝድግፍ ሙሁር ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ምንይችል መሰረት ብወገኑ፡ እቶም ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ምስ \"ምልከ-ውህዳን\" ዝኾነ ህወሓት ርክብ ዘለዎም ጥራይ ዒላማ ከምዝኾኑ ይገልጽ። ኣወል ኣሎ ብወገኑ፤ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ነቲ ኣብ ሃገሩ ካብ ዝርከብ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣካላትን ዝቐረበ ጻውዒት ሰላም ምንጻጉ እምበር መን ቀዲሙ ተኹሲ ወለዐ ዝብል ቀንዲ ጉዳይ ከምዘይኮነ ይገልጽ። \"ብትዕግስትን ተጻዋርነትን ዝመርሕን ንሰላምን ሽምግልናን ዕድል ዝህብን መንግስቲ እዩ ዘድልይ። ኮይኑ ግን ክልቲኦም ንኲናት'ዮም ዝዳለዉ ነይሮም\" ክብል ድማ የረድእ። \"ኣብዪ ንህወሓት ካብ ካቤኔ ኣልዩ። ብድሕሪኡ ከኣ መረጻ ኣናዊሑ። ሽዑ ህወሓት ክልላዊ መረጻ ኣካይዱ። ንኣብዪ'ውን [ከም ቀዳማይ ሚንስትር] ከምዘይቕበልዎ ኣፍሊጦም። ንሱ'ውን ነዓኣቶም ኣፍልጦ ከምዘይህብ ወግዓዊ ገይሩ። ናብ ኲናት ዘምርሖም ድማ እዚ እዩ” ይብል ኣወል። መንግስቲ እትዮጵያ ከምዝብሎ እቲ ምርጫ ክናዋሕ ዝተገበረሉ ምኽንያት ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እዩ። እንተኾነ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝተጠቐመሉ ምኽንያት’ዩ ብዝብል ይነቕፎ። “ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣስታት 10 ሽሕ ሰባት እሱራት ነይሮም። ኣብዚ ሕዚ ከኣ ብምኽንያት እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ኣዝዩ ክውስኽ ይኽእል’ዩ” ክብል ብንጽጽር የቐምጥ ኣወል። ኣብ ኢንስቲትዩት ሰላም ኣሜሪካ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፓይቶን ክኖፍ’ውን ተመሳሳሊ ሐሳብ ኣለዎ። “እቲ ፖለቲካዊ ባይታ መሊሱ ተዓጽዩ’ሎ። ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ተኣሲሮም ኣለዉ። እቲ ቀዳማይ ሚንስትር ናብ ስልጣን ንኽመጽእ ዘገልገለ ለማ መገርሳ’ውን ናይ ገዛ እሱር ኮይኑ ይርከብ” ብምባል ነቲ ዘሎ ኩነታት ይገልጾ። ኣብዩ - ከም ሓድሽ ሃጸይ? ሙሁር ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ምንይችል ከምዝብሎ እንተኾይኑ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጥም ዘሎ ጎንጽታት ቀንዲ መንቀሊኡ፤ እቲ ህወሓት ናብ ስልጣን ክመጽእ ከሎ ዘተኣታተዎ “ንዘርኢ መሰረት ዝገብር ፌደራላዊ” ስርዓት እዩ። “እቲ ዘርኣዊ\/ዓሌታዊ ፌደራላውነት ጉጅለታት ነናይ በዓልቶም መሬት ከምዘለዎም ክሓስቡ ገይሩ። ካብ ካልእ ዘርኢ ዝመጻእኻ እንተኾይንካ ኣብኡ ቦታ ክህልወካ ኣየፍቅዱልካን። ይሰጉኻ፣ ትቃጸልን ትቕተልን” ይብል ንሱ። ብኻል ገጽ ኣብዪ ነቲ ኣብ ዘርኢ\/ዓሌት ዝተመስረተ ፌደራለዊ ስርዓት ክእለይ ብምግባር “ሃጸያዊ ስርዓት” ንምምላስ ከምዝሰርሕ ይንቀፍ። ሃጸያውነት ድማ ዋላ’ኳ ብዙሓት ተወለድቲ ኣምሓራ እንተዘይተቐበልዎ፤ ሚኒሊክን ሃይለስላሰን ማሕበረሰባት ናብ ናይ ኣምሓራ ባህሊ “ክወሓጡ ወይ ክመስሉ” ዘገድዱሉ ዝነበረ ኣካይዳ ምንባሩ ይግለጽ። “ናይ ኣብዪ ኣካይዳ ብዝያዳ ናብቲ ባህላዊ ቅርጺ ስርዓት ይመሳሰል” ይብል ኣባል ናይቲ ኣብ ኣሜሪካ ናይ ዝርከብ ትካል መጽናዕታትን ጉዳያትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ፋሲል ሮቤል። ንሱ “ንሚኒሊክ ካልኣይ ብጣዕሚ ይንእድ። ንቤተመንግስቱ’ውን መሊሱ ኣሕዲሱ’ሎ። ዳግም ንኢትዮጵያ ዓባይ ናይ ምግባር ድልየት ከምዘለዎ እዩ ዝገልጽ። እንተኾነ እቲ ንሱ ከም ጅግና ዝቖጽሮ ሃጸይ ብኻልኦት ከም ብባርነት ዝገዝእን ወራርን እዩ ዝቑጸር” ብምባል የረድእ። ሽልማት ኖቤል “ብኽልተ ገጹ ዝተሰሓለ ሰይፊ” ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ብምኽንያት እቲ ኣብ ሞንጎ ንዓመታት ኣብ ኩነተ ኣይሰላም ኣይኲናት ዝጸንሓ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘምጽኦ ሰላም’ዩ ናብ ሽልማት ኖቤል ሰላም በቒዑ። እቲ ሽልማት “ኣብ ዘይእዋኑ” ነቲ ቀዳማይ ሚንስትር ከምዝተወሃቦ ዝገልጽ ኣብ ኢንስቲትዩት ሰላም ኣሜሪካ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፓይቶን ክኖፍ “እቲ ዶባት ንሓጺር እዋን ጥራይ እዩ ተኸፊቱ ዳግም ድማ ተዓጽዩ። ኣብቲ ውዕሊ ሰላም እውን ብጽሑፍ ዝሰፈረ ሰነድ የለን። ኣብ ሞንጎ [ኣብዪን ኢሳይያስን] ዝተገበረ ውልቃዊ ምርድዳእ ነይሩ እዩ። ንሱ ከኣ ዘላቒ ሰላም ዝረጋገጸሉ መገዲ ኣይኮነን” ይብል። ካልእ ኣብ ኣሜሪካ ዝነበር ተንታኒ ኣሌክስ ደ ዋል፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ኣብዪን ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ዝተበጽሐ ስምምዕ፤ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ውድብ ህወሓት ንምዕላው ዝተወሃበ “ኪዳን ውሕስና” ከምዝመስል ይገልጽ። “ኤርትራ ኣብቲ ኲናት ዝለዓለ እጃም’ዩ ነይርዋ። ኣስታት 20 ብርጌዳት ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ከምዝኣተዉ ዝሕብሩ ጻብጻባት ኣለዉ” ይብል ኣሌክስ። ክልቲኦም መንግስታት ግን ሓይልታት ኤርትራ ናብ ትግራይ ኣትዮም ንዝብል ሓበሬታ ይነጽጉ። ሙሁር ዩኒቨርሲቲ ኬለ ኣወል ኣሎ ንኣብዪ ናብ ኖቤል ሕጹይ ኮይኑ ንክቐርብ ብዝነበሮ ተሳትፎ የጠዓስ’ዶ ይኸውን? “እቲ ሕዚ ዝፈለጥክዎ ነገር ኣብቲ ሽዑ እዋን እንተዝፈልጥ ነይረ ከምኡ ኣይምገበርኩን። እንተኾነ ብኽልተ ገጹ ዝተሰሓለ ሰይፊ እዩ። ሽልማት ኖቤል ፖለቲካዊ ከስብታት ይህበካ እዩ፤ ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ኮይንካ ኲናት እንተኣዊጅካ ድማ ተሓታቲ ክገብረካ ይኽእል” ይብል እቲ ሙሁር።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55205652"} {"headline":"ሞት ኣስመላሽ ወልደስላሴ ብዛዕባ ኵናት ኢትዮጵያ እንታይ ይነግር?","content":"እቲ ኣብ ልዕሊ ጉዱእ ኣካል ኵናት፡ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ህወሓት ነበር፡ ዓይነ ስውር ኣስመላሽ ወልደስላሴ ዘጋጠመ ጨካን ሞት፡ መርኣያ ናይቲ ኣኽራናት ኣብ ዝበዝሖ ዞባ ትግራይ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ዘሎ ዑደት-ግጭት ዘጉልሕ እዩ። ኣብ እዋን ምምስራት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣብ 1975 (ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ድማ 1967) ናብ ቃልሲ ዝተጸንበረ ኣስመላሽ፡ ነቲ ዕሉል ምልካዊ ስርዓት መንግስቱ ሃይለማሪያም ካብ ስልጣን ንምእላይ ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ፡ ኣብ እምባ ኣላጀ ብዝተፈጸመ ደብዳብ እዩ ብርሃን አዒንቱ ስኢኑ። ብድሕሪኡ፡ ብ1998 እቶም ሓቢሮም ንስርዓት ደርግ ዝደምሰሱ ሓይልታት ህወሓት ዝመርሖ ስርዓት ኣዲስ ኣበባን፡ መንግስቲ ኤርትራን ብዶባት ተኻሲሶም ኣብ ኵናት ምስተጸምዱ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ኵናት ጸጋመይቲ ኢዱ ስኢኑ። ኣብዚ ንህወሓት ናብ ናይ ደባይ ተዋጋእቲ ምንቅስቓስ ዝመለሰ ናይዚ ቀረባ ግዜ ግጭት ከኣ፡ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ህወሓት ዝነበረ ኣስመላሽ ምስ ክልተ መቓልስቱ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነበር ስዩም መስፍንን ሚኒስተር ፈደራላዊ ጕዳያት ነበር ኣባይ ጸሃየን ተቐቲሉ። እቲ ናብዚ ሞት’ዚ ዘብጸሐ ወተሃደራዊ ስርሒት ክካየድ ዝኣዘዘ ወዲ 44 ዓመት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ክሳብ ኣብ 2018 ስልጣን ዝሕዝ፡ ኣባል እቲ ብህወሓት ዝምራሕ ልፍንታዊ መንግስቲ እዩ ነይሩ። ሕጂ፡ ንሱን፡ ህወሓትን ነታ እስትራቴጂካዊ ኣገዳስነት ዘለዋ፡ ምስ ኤርትራን ሱዳንን እትዳወብ፡ ምስ ኣፍ ደገ መስመራት ቀይሕ ባሕሪ እተራኽብ ክልል ትግራይ ንምቁጽጻር ይቃለሱ ኣለው። ገለ ሰባት፡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ፡ ሕነ’ቲ ኣስታት 100,000 ሰራዊት ዝጠፍኡሉ ብዶባት ዝተሳበበ ኵናት 1998-2000ን፡ ሽዑ ብህወሓት ዘጋጠሞ ውርደትን ሕነ ንምፍዳይ እዩ፡ ንሰራዊት ፈደራል ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ሰራዊቱ ናብ ትግራይ ልኢኹ ይብሉ። እንተኾነ ዋላ 'ኳ ብዙሓት ትግራዎትን ኤርትራውያንን ከምኡ እውን መንግስቲ ኣመሪካን፡ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ከምዝኣተወ እንተገለጹ፡ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ግን ኣይተኣመኑን። ዶክተር ኣቢይ ብ28 ሕዳር ንርእሰ ከተማ መቐለ ድሕሪ ምቁጽጻሩ እቲ “ወፍሪ ምኽባር ሕጊ” ከምዝተዓወተ ዋላ’ኳ እንተኣወጀ፡ ነቶም 250,000 ተዋጋእቲ ከም ዘለዉዎ ዝግምገም “ጉጅለ” ክብል ዝሰመዮም መሪሕነት ህወሓት ግን ኣይሓዞምን። ኣዘዝቲ ሰራዊት ፈደራል፡ ሰራዊት ህወሓት ከምዝተዳኸመን ነቶም ኣብ ፈቐዶ በዓትታት ተሓቢኦም ዘለው ኣዘዝቲ ኣኣብ ዘለውዎ እናሰዓቡ ይሃድኑዎም ከምዘለውን ይሕብሩ። እቲ ንሓያሎ ሳምንታት ደሃይ ዘይነበሮ ዶክተር ደብረጽየን ኣብዚ ሳልስቲ “ህዝቢ ትግራይ፡ መሰል ርእሰ ውሳኔኡ ንምርግጋጽ ቃልሱ ክቕጽል’ዩ” ክብል ብሚድያ ተዛሪቡ’ሎ። ናይ ኢድ መቑሕ እቶም ልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ገዳይም መራሕቲ ህወሓት፡ ኣስመላሽ: ስዩምን ኣባይን ብኸመይ ከም ዝሞቱ ብንጹር ኣይተፈልጠን። ገሊኦም ክተሓዙ እናኸኣሉ ብፍላጥ እዮም ተቐቲሎም ይብሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ኢዶም ምሃብ ምስ ኣበዩ፡ ኣብቲ ዝነበሩዎ በዓቲ ከም እተቐትሉ እዩ ዝገልጽ ። ሓያሎ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓትን ጽኑዓት ደገፍቶምን እውን ተማሪኾም። ኣቦይ ስብሓት፡ ከም መራሕ ዒራቕ ሳዳም ሑሴን 2003፡ ጭሒሞምን ጎቲኖምን ኣብ ቅድሚ ካሜራ ተሞቚሖም ተራእዮም። ኣብ ኣመሪካ ንዝመደበሩ ትካል መጽናዕቲ ዝምድናታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝሰርሕ ፈይሳል ሮብለ፡ ደገፍቲ ቀዳማይ ሚስተር ኣብይ፡ ጽሕፍቶን መወዳእታ ዕምርን፡ እቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ብህዝባዊ ናዕቢ ስልጣን ዝተኣልየ፡ ንኢትዮጵያ ብሓይሊ ብረት ዝገዝኣ ጉጅለ ይጽምብሉ ኣለው ይብል። ንሳቶም፡ “ንህወሓት ረኺብናያ ኢና። ነጥፍኣ ኣለና። ደጊም ከቶ ኣይኪጭቍኑናን እዮም \" ይብሉ ኣለው። “ይኹን እምበር: እቶም ንህወሓት ዘይፈትው ትግራዎት ከይተረፉ፡ ከምዚ ይብሉ ኣለዉ: እቲ ዝቐተልኩምዎ ዓይነ ስውር ኣስመላሽ: ብሰንኪ መጥባሕቲ ሕቖ ብዙሕ ክንቀሳቐስ ዘይክእል ስዩም፡ ቅድሚ ሒደት ዓመታት መጥባሕቲ ልቢ ዝገበረ ኣባይ: ከምኡውን ነቲ ክልተ ደረጃ ኣስካላ ክድይብ ዘይክእል ዕድመ ዝደፍአ ኣዋሪድኩም ዝሓዝኩምዎ ስብሓት ኩሎም ጀጋኑና እዮም እዮም ዝብሉ” ኣብ ስደት ዝርከብ ኤርትራዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ጳውሎስ ተስፋጊዮርጊስ ከምዝብሎ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ኣስታት ሰለስተ ወርሒ ግጭት ህወሓት ብሰራዊት ፈደራል ኢትዮጵያን መንግስቲ ኤርትራን ከምኡ እውን ምስ ትግራይ ናይ መሬት ክርክር ብዘለዎም ፍሉይ ሓይልታት ኣምሓራ ብዘጋጠሞ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲን ደብዳብ ድሮንን ነፈርትን፡ ተደፊኡ እዩ። \"ህወሓት ብዙሕ መሬት፡ ሓያሎ መራሕትን ተቓለስትን ብዙሕ ከቢድ ኣጽዋርን ስኢኑ እዩ ። ሕጂ ማእከላይን ፈኲስን ኣጽዋር ጥራይ እዩ ዘለዎ። ኣብቲ ኵናት፡ ኤርትራ፡ ክሳብ ክንድ'ዚ ዝኣክል ተሳትፎ ክህልዋ ትጽቢት ዝገበሩ ኣይመስለንን።” ይብል። \"ኢሳይያስ፡ ንጸላኢ፡ ብብዝሒ ሰራዊት፡ ብታንክታትን መድፍዕን፡ ብደብዳብ ነፈርትን ምድምሳስ ዝብል ናይ ቀደም ስልቱ ሕጂ እውን ተጠቒሙሉ እዩ\" ይብል። “ይኹን እምበር ህወሓት ገና ይቃለሱ ኣለው፡ ሕጂ እውን ሓያል ውግእ ይካየድ ኣሎ። ሕጂ ከኣ ናይ ደባይ ንጥፈታት ንምክያድ ናብቲ ዝፈልጥዎ ገጠራት ትግራይ: ናብ ኣኽራናትን ኵርባታትን ኣዝሊቖም ኣለው\" ኢሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ዩኒቨርስቲ ጎንደር ዝምህር ምንይችል መሰረት፡ ህወሓት፡ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ \"ምሉእ\" ውግእ ኣካይዱ ሕጂ ናብ ደባይ ተዋጋኢ ምቕያሩ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓደጋ ኣለዎ ይብል። \"ኣብ ናይ ደባይ ኵናት፡ ሓደ ነብሱ ለኪሙ ክጠፍእ ዝውፈ ሰብ ብዙሓት ሰባት ክቐትል ይኽእል እዩ ። ናብ ህወሓት እንተመጺእና ከኣ ገና ተዋጋእቲ ሰራዊት ኣለዉዎ። ኣኽራን ኣብ ዝበዝሖ ሓደ ሓደ ቦታታት ከኣ ኲናት ይካየድ ኣሎ። ሰራዊት ወያነ ኣብ ጽርግያታት ረዲኤት ኣብ ዘመላልሳ ቃፍላይ መካይን ከይተረፈ ኣድብዮም ብምጽናሕ መጥቃዕቲ ይፍጽሙ ከምዘለው ሓበሬታ ኣሎ\" ይብል። ብዛዕባ ጥሜት ጳውሎስ፡ መንግስቲ ንጥሜት ከም መሳርሒ ኵናት ይጥቀመሉ ከምዘሎ ይኣምን። \"እቲ መጥቃዕቲ ኣብ እዋን ቀውዒ እዩ ተፈጺሙ። ወተሃደራት መንግስቲ ከኣ ንአእካል ህዝቢ ትግራይ የቃጽልዎን ንማሎም ይሓርዱወንን ኣለው። መንግስቲ፡ ኣብ ትግራይ ምሉእ ዕጽዋ ኣዊጁ፡ እንታይ ይካየድ ከምዘሎ ሓበሬታ ዓጽዩ እዩ ዝፍጽሞ ዘሎ። ዋላ ሕጂ እውን እንተኾነ ዝኣቱ ምግቢ የሎን። ዋሕዚ ረድኤት ብዙሕ ቀይዲ ኣለዎ። \"ሰባት ድሮ ብጥሜት ይሞቱ ኣለዉ። ዓጸቦ ከይስዕብ ዘሰክፍ መጠንቀቕታታት ኣሎ። እዚ ብዘይ ሰብኣዊ ርህራሀ ዝካየድ ዘሎ ውግእ እዩ። እዚ ፍጻሜ ነቲ “ዓሳ ንምቕታል፡ ነቲ' ቀላይ ምንጻፍ\" ዝብል ጥቕሲ ናይ መንግስቱ ሃይለማርያም የዘኻኽረኒ። መንግስቲ ኣብዪ ንህወሓት ንምድኻም እንተላይ ንሰላማዊያን ሰባት ንጥሜት የቃልዖም ኣሎ” ይብል። ትካላት ረዲኤት፡ እቲ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስን ወራር ኣንበጣን ዝመጽአ ግጭት፡ \"ሓደገኛ\" ኵነታት ከም ዘስዓበ ይገልጻ ኣለዋ። ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ረድኤት የድልዮም እቲ ጽዑቕ ምምዝባል ሰባት ንዝርገሐ ለበዳ ኮቪድ-19 ከየግድዶ ስክፍታ ኣሎ። ካብተን 40 ዝኾና ሆስፒታላት፡ እተን ሓሙሽተ ጥራይ እየን ንህዝቢ ኣገልግሎት ዘቕርባ ዘለዋ። ኣስታት 300 ብሞተር ማይ ዝጭንጉዓ ምንጭታት ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይነን ኣለዋ፤ ዕዳጋታት ዳርጋ ዘየሎ እዩ። ኣብ ትግራይ ከገልግል ዝተመዘዘ ሓደ በዓል ስልጣን እቲ ሓድሽ ምምሕዳር፡ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ቅልውላው \"ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ዘይፈልጥ እዩ\" ክብል ከምዝገለጾ መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ጸብጺበን እየን። ህጹጽ ረድኤት መግቢ ዘድልዮም ህዝቢ እቲ ክልል 4.5 ሚልዮን (ኣስታት 75% ቁጽሪ ናይቲ ጠቕላላ ህዝቢ): 2.5 ሚልዮን ዝተመዛበሉ: ከምኡውን ቤት ጽሕፈቱ፡ ሰለስተ ቘልዑ ዝርከብዎም 13 ሰባት ብጥሜት ምሟቶም ሓቢሩ። መንግስቲ ንጥምየት ከም መሳርሒ ውግእ ከምዘይተጠቕመሉ እዩ ዝገልጽ፡ ኣቶ ምንይችል እውን ከምዚ ዝኣመሰለ ክስታት \"ምሉእ ብምሉእ ጌጋ እዩ\" ይብል። \"መንግስቲ እኹል መግቢ ኣለዎ፡ እንተኾነ ህወሓት ብጥሜትን ዓጸቦን ብምስምማስ ዓለማዊ ምድንጋጽ መታን ክረክብ ንመራሕቲ መኪና ስለዝቐትሎም፡ ረድኤት ናብ ገጠራት ክበጽሕ ኣይከኣለን” ይብል። \"ህወሓት ንሓረስቶት ብረት አዕጢቑ ንኽዋግኡ ስለዝቕስቦም እዩ አእካል ዝዓኑ ዘሎ። ኣብ ርእሲኡ ህወሓት ቅድሚ ናብ በረኻታት ምስሓቡ፡ ንኣብያተ ጽሕፈት ኩለን መንግስታዊ ምምሕዳርራትን እንተላይ ንሆስፒታላት ኣዕንዩዎ እዩ” ይብል ኣቶ ምንይችል። እቲ ምስ መንግስቲ ፈደራል ርክብ ዘለዎ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ከምዝበሎ፡ መንእሰያት ሚሊሻታትን፡ ፍሉይ ሓይልን ኣምሓራ፡ ከምኡ’ውን ገለ ወተሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንኣባይትን ንግድን ከም ዝዘመቱ ነበርቲ ናይ’ቲ ብሕርሻ ፈፍለጥ ከባብታት ሑመራ ገሊጾም እዮም። \"ሰረቕቲ ንመኻዚኖ ምግብን እኽልን ጥርሑ ኣትሪፎሞ\" ይብል። ሓደ ነባሪ፡ በቲ ሓድሽ እተሸመ ምምሕዳር እተላእኩ ሰባት ከይተረፉ 'ኣብ ስርቂ ተሳቲፎም’ ብምባል መረረኡ ገሊጹ። ተንታኒ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣብ ትካል ‘ክራይሲስ ግሩፕ’ ዊልያም ደቪሰን፡ መንግስቲ ፈደራል ናብ’ቲ ሰራዊቱ ወይ ሓይልታት ጸጥታ ኣምሓራ ብጽኑዕ ዝቆጻጸሩዎ ከባቢታት ገለ ረድኤት ይህብ ኣሎ” ይብል። እንተኾነ መንግስቲ ፈደራል፡ ህወሓት ነቲ ረድኤት ከይረኽቡዎን ብሕቡእ ነዳዲ ኮነ ኣጽዋር ከየእትውን ስለዝፈርሕ፡ ኣብ’ቲ ሓይልታት ትግራይ ዘለውዎ ከባብታት ረድኤት ኣይህብን ዘሎ ኢሉ። \"ሰራዊት ፌደራል ንዝሰፍሐ መሬት ስለዘይቆጻጸሮን ኣብ ገጠራት ትግራይ ናይ ጸጥታ ጸገም ስለዘሎ ረድኤት ኣይተዘርገሐን ዘሎ። \"ናብቲ ሓይልታት ፌደራል ወይ ኣምሓራ ዝቆጻጸሩዎ ቦታታት፡ ናብ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ፡ ናብ መቐለን ገሊኡ ክፋላት ደቡብን ምዕራብን ትግራይ ይኸይድ ኣሎ\" ይብል። 'ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ቅድስቲ ከተማ’ ሚስተር ዳቪሰን ወሲኹ፡ ናብቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ኤርትራ ዝርከብ ከባቢታት ረድኤት ምብጻሕ ማለት፡ ነቲ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ክነጽጉዎ ዝጸንሑ፡ ምትእትታው ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኩናት ትግራይ ከም መረጋገጺ ክኽውን ስለዝኽእል፡ ብፖለቲካዊ መዳዩ እውን ኣጸጋሚ እዩ ይብል። ኣብ’ቲ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት ንቢቢሲ ከምዝገለጽዎ፡ ሓይልታት ኤርትራ ካብ’ታ ካብ ከተማ መቐለ 45 ኪ.ሜ. ጥራይ እትርሕቕ ከተማ ውቕሮን፡ ኣብ ቅድስቲ ከተማ ኣኽሱምን ኣብ ዝኣመሰላ ኣገደስቲ ከተማታትን ካባቢታትን ናይ ኢትዮጵያ ይርከቡ። ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ሰራዊት ኤርትራ ምስ ሰራዊት ፈደራል ኣብ መጥቃዕቲ ሽረ ድሕሪ ምስታፉ ናብቲ ከባቢ ናብ ዝርከባ ቑሸታት ከምዝወጽኡ ሓቢሮም። ናይ ሱዳን ቀንድን ኣገዳስን ተራ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ለንደን ኣብ ዝርከብ ኢንስቲትዩት ኮመን ወልዝ ላዕለዋይ ተመራማሪ ማርቲን ፕላውት፡ ቦታታት ምቍጽጻርን ምሓዝን ጥራሕ ኣብ ኩናት መርኣያ ናይ ዓወት ኣይኮነን ይብል። \"ህወሓት፡ ከተማታት ኣብ ምሓዝ ኣይኣምንን እዩ። ኣብ ኵርባታትን ኣኽራንን ኮይኑ ይዋጋእ ኣሎ። ብኸምኡ ድማ ንጸላኢ ይገጥሞ ኣሎ። \"ሕጂ ኣብ ዝጥዕሞ እናጥቀዐ እዩ ዝስወር ዘሎ። ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ከኣ ንጸላኢ የድክሞ። ኣብ ዝሓለፈ ናይ ቃልሲ እዋን ከምኡ እዩ ዝገበር ነይሩ። ዕውት ዝኾነ ናይ ደባይ ስርሒት ምክያድ ኣብ ውሑስ ቀረብ ዕጥቅን ስንቅን ነዳድን እዩ ዝምርኮስ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ህወሓት ብመገዲ ሱዳን እዩ ዕጥቅን ስንቅን ዘእቱ ነይሩ። ሕጂ እዛ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዶባዊ ግጭት ኣትያ ዘላ ሱዳን ከምቲ ናይ ቀደም ክትገብር ትኽእል ድያ ኣይትኽእልን ዓቢ ሕቶ እዩ ይብል ማርቲን ፕላውት። \"እቲ ጉዳይ፡ እቲ ኵናት ክነውሕን ክሓጽርን ወሳኒ እዩ።”","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55883727"} {"headline":"ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ግጭት ኢትዮጵያ ኢድ ኣለዋ ድዩ?","content":"ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን: ብፖለቲካውን ሕገመንግስታውን ጉዳያት ንነዊሕ እዋን ክተፋነኑ ጸኒሖም። ብ 3 ሕዳር ለይቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ንመዓስከራት ናይቲ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣጥቂዖም ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር አብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ናብ ቅሉዕ ጎነጽ ኣምሪሖም። እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብሓደ ዓመት ድሕሪ ምንውሑ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ርክብ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሑ። ምንዋሕ ናይቲ ምርጫ ዝተቓወመ ህወሓት፡ ኣብ ትግራይ ክልላዊ ምርጫ ንምክያድ ብዝወሰዶ በይናዊ ውሳነ መሰረት፡ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ብምቛም ኣብ መጀመርታ መስከረም ምርጫ ኣካይዱ። ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራል ብወገኑ፡ እቲ ምርጫ \"ዘይሕጋዊ\" ምዃኑ ብምፍላጥ፡ ነቲ ሓድሽ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍልጦ ከምዘይህቦ ኣዊጁ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ ድሕሪ መስከረም፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ስልጣኑ ዘብቀዐ'ዩ ብምባል ኣፍልጦ ነፊግዎ። ብ4 ሕዳር፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ነቲ ብሰቡን ኣጽዋሩን እቲ ዝሓየለ ምዃኑ ዝንገረሉ፡ 'ሰሜን እዝ' ድሕሪ ምጥቅዖም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዳርጋ ሰለስተ ሰሙን ድማ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ውግእ ቀጺሉ ይርከብ። ዛጊት ሓይልታት ፈደራል ንከተማታት ሽረ፡ ኣኽሱም፡ ዓድዋ፡ ዓዲ-ግራት፡ ኣላማጣን ካልኦት ናኣሽቱ ከተማታትን ዓድታትን ተቖጻጺሮም ይርከቡ። ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝተቐትሉ ከምዘለዉ'ኳ ክልቲኦም ወገናት እንተገለጹ፡ ንጹር ቁጽሪ ግን ኣይሃቡን። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከምዝብሎ፡ ዛጊት በቲ ግጭት ዝተፈናቐሉ ልዕሊ 30,000 ሰባት ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ኣትዮም ኣለዉ። ኣብቲ ክልል ቀጻሊ ደብዳብ ነፈርቲ ይካየድ ምህላዉ'ውን ጸብጻባት ይገልጹ። ኣብዝ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ነፈርቲ ኲናት ኣብ ጥቓ ከተማ መቐለ ዝርከብ ኩርባ ምድብዳበን ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም ነይሮም። ሰብ መዚ ትግራይ፡ ሓይልታት መንግስቲ ሰላማውያን ሰባት ይቐትሉ ኣለዉ'ኳ እንተበሉ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪን ኣዘዝቲ ሰራዊቱን ግን፡ ሓይልታቶም ንመራሕቲ ህወሓትን ወታሃደራዊ ዒላማታት ጥራይ ከምዝወቕዑ ይምጉቱ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሳልሳይ ገጽ ናይቲ ሰራዊቱ ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምጅማሩ፡ መራሕቲ ህወሓትን ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልልን ኢዶም ክህቡ ሎሚ ረቡዕ ዘብቅዕ ናይ 72 ናይ ግዜ ገደብ ሂቡ'ሎ። ሓይልታቱ ንከተማ መቐለ ብታንክታት ከጥቅዑ ምዃኖም ድሕሪ ምጥንቃቖም፡ ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ማሕበራት፡ ሃገራትን ውልቀ ሰባትን ስግኣቶም ገሊጾም ኣለዉ። እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ካልእ ኣቓልቦ ብዙሓት ስሒቡ ዘሎ ጉዳይ ተሳትፎ ናይ ጎረቤት ሃገረ ኤርትራ እዩ። ተራ ኤርትራ ኣብዚ ግጭት እንታይ'ዩ? መራሒ ክልል ትግራይ ዶ\/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ብሰኑይ 23 ሕዳር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኤርትራ ሰራዊታ ኣብቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ኣብ ጎኒ ሓይልታት መንግስቲ ፈደራል ኣኽቲታ ከምዘላ ከሲሱ። ኣቐዲሞም'ውን፡ ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ጥሒሱ ብምእታዉ፡ መጥቃዕትታት ፈጺሙልና ብምባል፡ ናይ ሚሳይላት ግብረ መልሲ ሂቦም ነይሮም። ብ13 ሕዳር ምሸት ሓይልታት ትግራይ ኣብ ኣስመራ ናይ ሚሳይላት ደብዳብ ኣካይዶም። እቲ ሰለስተ ሚሳይላት፡ ሓደ ኣብ ጥቓ'ቲ ቀንዲ መደበር ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ዝርከበሉ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ከምዝወደቐን፡ እቲ ዝተረፈ ክልተ ድማ፡ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል እታ ከተማ ኣብ ከባቢ መንበሪ ገዛውቲ ከምዝሃረመ ነበርቲ እታ ከተማ ሓቢሮም። ድሕሪኡ ኣብ ዝቐጸሉ መዓልታት፡ ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ትግራይን ግጭት ከምዝነበረ ምንጭታት ናይቲ ከባቢ ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም። ብፍላይ፡ ኣብቶም ኣብቲ ናይ 1998-2000 ዶባዊ ኲናት ደማዊ ውግእ ዝተኻየደሎም ከባቢታት ዓሊቴና፡ ዛላምበሳ፡ ጾሮናን መረብን ደብዳብ ዝተሓወሶ ዳግማይ ውግእ ከምዘካየዱ እቶም ጸብጻባት ጠቒሶም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን፡ ላዕለዎት ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ ኢትዮጵያን፡ ኣብ ናይ ፈለማ መግለጺታቶም፡ ብወገን ኤርትራ ኮይኖም ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ክገጥሙ ከም ዝጀመሩ ኣተንቢሆም ነይሮም። ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ክሳተፍ ካብ ጡሮታ ዝተጸወዐ ሌ\/ጀነራል ባጫ ደበለ፡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ገለ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ሃዲሞም ናብ ኤርትራ ከምዝኣተዉ ብምጥቃስ፡ ብኣካል ከምዝበጽሖምን፡ ግንባሮም መሊሶም ብወገን ዛላምበሳ፡ ራማን ሸራሮን መጥቃዕቲ ከምዝኸፈቱ ተዛሪቡ። ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ንሱ ይኹን፡ እቶም ዝተዛረበሎም ዝተፈናጨሉ ኣሃዱታት 'ሰሜን እዝ' መሬት ኤርትራ ከይረገጹ ነቲ ዝተባህለ ወታሃደራዊ መጥቃዕትታት ከካይዱ ኣይክኣልን'ዩ ነይሩ። ብዘይካ'ዚ፡ ወታሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤርትራ ከምዝተራእዩን፡ ውግኣቶም ኣብ ዝተፈላለየ ሆስፒታላት እታ ሃገር ይሕከሙ ከምዘለዉ፡ ነበርቲን ምንጭታትን ካብቶም ሆስፒታላትን ንቢቢሲ ትግርኛ ሓቢሮም። ካብ ኣስመራ ዝተዋህበ ግብረመልሲ እንታይ ይመስል? ብ10 ሕዳር፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ብዛዕባ ምትእትታው ሃገሩ ኣብቲ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ \"'እዚ ውሽጣዊ ግጭት እዩ። ንሕና ኣካል ናይቲ ግጭት ኣይኮናን'\" ክብል ንሮይተርስ ብቴለፎን ተዛሪቡ። ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ መዓልቲ'ውን፡ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ገለ ኣባላት ፓርላማ ብሪጣንያ ክልል ትግራይ ካብ ኤርትራ ስግኣት ኣለዋ ብዝብል ዘቕረብዎ ክሲ ነጺግዎ። ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብታ ሃገር ኣቶ እስቲፋኖስ ሃብተማርያም ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ኮመን ዌልዝን ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ \"ክልል ትግራይ ካብ ኤርትራ ስግኣት ኣንጸላልዩዎ ኣሎ ዝብል [ብጉጀለ ኦል ፓርላሜንት] ዝቐረበ ክሲ፡ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ፡ ብዘየወላውል ፈጺሙ ይነጽጎ\" ኢሉ። እቲ ኣብ ትዊተር ኣንጻር ህወሓት ብምጽሓፍ ዝፍለጥ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጃፓን ብወገኑ፡ ነቲ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ኣስመራ ዘካየድዎ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ግብረመልሲ ዝህብ ዝመስል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። \"ህወሓት፡ ናይ ፈራሓትን ዘይሕጋውን ተግባራቱ ብ13 ሕዳር 2020 ኣሐይልዎ'ሎ\" ብምባል ተቓውምኡ ድሕሪ ምግላጽ፡ ህወሓት ነቲ ናይ 1998-2000 ዶባዊ ኲናት'ውን ከምዝጀመሮ ከሲሱ። ካብዚ ሓሊፉ ግን፡ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ይኹን፡ እቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ምላሸ ኣይሃበን። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ብ18 ሕዳር፡ \"ነቲ ናይ ህውሓት ናይ መበል 11 ሰዓት ናይ ቀቢጸ-ተስፋን፡ ዘይረብሕን ተግባራት ይኹን፡ ግጉይ ግምታት ተሓለቕቶምን ምቅላሕ ትርጉም የብሉን\" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። ሓድጊ ደማዊ ዶባዊ ኲናት 1998-2000 ድሕሪ 1991 ዝማዕበለ፡ ኣሉታዊ ርክብ ህወሓትን ኤርትራን፡ ካብቲ ኣብ ምስ ምውላዕ ዶባዊ ኲናት 1998 ዝጀመረ እዩ። ኣብ ግንቦት 2000 ሳልሳይ ዙርያ ናይቲ ዶባዊ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንመከላኸሊ መስመራት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብምስባር፡ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ሰፋሕቲ ከባቢታትን ክቆጻጸሩ ኪኢሎም ነይሮም። እቲ ናይ ሽዑ ወታሃደራዊ ምድፋእ፡ ንፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ዘፍሸለ ብምንባሩ፡ ኣብቲ ኲናት ዝነበሮ ኣተሓሕዛ ካብ ላዕለዎት ሰብልጣን መንግስቲ ከይተረፈ ሓያል ነቐፌታ ኣስዒብሉ'ዩ። ኣብቲ ዝቐጸለ ናይ ኣስታት ክልተ-ዓሰርተታት ዓመታት'ውን፡ ብህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንኤርትራ ብዲፕሎማሲን ማዕቀብን ክንጽላ ጽዒሩን ሰሪሑን። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ኣብ ጉዳይ እቲ ንኤርትራ ዘርብሐ ብይን ኮሚሽን ዶብ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ምስታ ብህወሓት እትምራሕ ኢትዮጵያ ምውጋኖም ክነቅፍ ጸኒሑ። ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበርን ኣብ ቅድሚ ዶባዊ ግጭት መሻርኽቱ ዝነበረን መለስ ዜናዊ ዝምራሕ መንግስትን ምዕራባውያን መሻርኽቱን፡ ካብ ስልጣኑ ብምዕላዉ፡ \"ናይ ስርዓት ለውጢ\" ከምጽኡ ፈቲኖም ክብል'ውን ይኸሶም ነይሩ። ከም ግብረመልሲ ድማ፡ ኤርትራ፡ ከም ግንቦት-7፡ ደምህት፡ ኦነግ፡ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ዝርከብዎም ሓያሎ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ክትሕብሕብን ክትድግፍን ጸኒሓ። ኣብ 2009 መንግስቲ ኤርትራ ንናይ ሶማል ጂሃዳዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ደጊፊ፡ ኣብቲ ዞባ ዘይምርግጋእ ይፈጥርን ኣሎ ብዝብል ክሲ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ኣንቢሩ። ኤርትራ ግን ነቲ ክሲ ኣትሪራ ነጺጋቶ'ያ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝቐጸለ ኩነተ-ኲናት፡ 'ልዑላዊ መሬትና ተወሪሩ እናሃለወ' ብምባል፡ ደሞክራስያዊ ለወጢ ከይገብር፡ ንዝነቕፍዎ ንክኣስር፡ ናጻ ፕረስ ክእግድን፡ ነቲ ጠንቂ ዋሕዚ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ኤርትራ ዝኾነ ግዱድን ገደብ-ኣልቦን ሃገራዊ ኣገልግሎት ከናውሖን ተራእዩ። 'ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን 2018' ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ አብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ካብ ዝወሰዶም ዓበይቲ ውሳነታት፡ ምስ ኤርትራ ሰላም ምግባር'ዩ ነይሩ። ብ5 ሰነ 2018፡ ኣቦመንበር ናይቲ ድሓር ዝፈረሰ ኢህወደግ ኮይኑ ድሕሪ ምምራጹ፡ ፈጻሚ ስራሕቲ እቲ ግንባር፡ ነቲ ኣብ 2002 ዝተወሰነን ነታ መበገሲ ናይቲ ግጭት ዝነበረት ባድመ ንኤርትራ ምዃና ዘረጋገጽን \"ቀያድን ናይ መወዳእታን\" ብይን ኮሚሽን ዶብ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ከም ዝቕበሎ ኣፍሊጡ። ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኢትዮጵያ ነቲ ብይን ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ክሳብ ትቕበሎ፡ ኤርትራ ዝኾነ ዝርርብ ከምዘይትገብር'ያ ትገልጽ ነይራ። ድሕሪ ናይ ክልተ ሳምንቲ ስቕታ ግን፡ ብ20 ሰነ 2018 ህዝብታት ክልቲኡ ዝተሓጎሰሉ ብስራት ሰላም ሃንደበት ነፊሱ። መራሒ ኤርትራ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ኣብ መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ \"ንህሉው ኩነታት ብቐጥታን ብዕምቈትን ምእንቲ ክንፈልጦን፡ ቀጻሊ ውጥን-ስራሕ ምእንቲ ክንነድፍን፡ ልኡኽ ናብ ኣዲስኣበባ ከነበግስ ኢና\" ክብል ገሊጹ። እንተኾነ ግና፡ ኣብቲ መደርኡ ነቲ ከም ቀንዲ ጸላኢኡ ዝርእዮ ህወሓት \"Game Over\" (ጸወታ ኣብቂዑ) ክብል ነቒፍዎ። እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ዝምድና ናብ ንቡር ንምምላስን ሰላም ንምግባርን ዝተጀመረ ተበግሶ ነቲ ኣብቲ እዋን ኣካል ናይቲ ብኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ገዛኢ ሰልፊ ኢህወደግ ዝነበረ ህወሓት ዘጠቓልል ከምዘይነበረ እቲ መልእኽቲ ኣነጺርዎ'ዩ። ንፈለማ እዋን፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝገሸሉ እዋን'ውን፡ ምስ ኣቦ መንበር ህወሓት ዶ\/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብኣካል ተራኺቦም እዮም። ኣብ ጽንብላት ምኽፋት ዶባት፡ ዛላምበሳ-ሰርሓን ኣብ መስከረምን፡ ከምኡ'ውን ኣብቲ ብ7 ጥሪ ዝተኻየደ ምኽፋት መስመር ሑመራ-ኦምሓጀርን'ውን ብሓባር ተሳቲፎምን ተዘራሪቦምን'ዮም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ብ8 ሓምለ 2018 ናብ ኣስመራ ምብጽሑ፡ ንህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ ንዓለም'ውን ሃንደበታዊ ፍጻመ'ዩ ነይሩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ኢትዮጵያ ክዕረቕ ንዝቐረበሉ ተደጋጋሚ መጸዋዕታ፡ ክነጽጎ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሃንደበት ባና ሰላም ተወሊዑ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣብ ኣስመራ ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ሓድሽ ናይ ሰላምን ቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ሃዋሁው ተፈጢሩ ከምዘሎ ኣዊጁ። \"ደቅና ኣብ ክንዲ ሃገሮም ዘልምዑን ንቅድሚት ዝስጉሙን፡ ንሕና ዘፍረስናዮ ቢንቶ ክጽግኑ፡ ንሕና ዝበተኽናዮ ገመድ ዝምድና ክልሕሙ፡ ንሕና ዝሃነጽናዮ መንደቕ ቅርሕንትን ጽልኢን ከፍርሱ ከቢድ ጾር ኣይነውርሶም\" ኢሉ። \"ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰላምን ቅሳነትን ይግብኣካ'ዩ፡ ወግእን ወረ ውግእን ምስማዕ ይኣክል\" ድሕሪ ምባል ንመንእሰያት ክልቲአን ሃገራት \"ስደትን ወርደትን ይኣክል\" ክብል ተዛሪቡ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ስለቲ ምስ ኤርትራ ሰላም ንምግባር ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ኣብ 2019 ሽልማት ኖበል ሰላም ተሸሊሙ'ዩ። ብ9 ሓምለ 2019 ክልቲኦም መራሕቲ \"ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን\" ብምፍራም፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ኩነተ-ኲናት ከምዘብቀዐ ኣዊጆም። ህወሓትን ህግደፍን ኣብ መንጎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን (ካብ 1994 ህግደፍ) ቅድሚ ምውዳቕ ስርዓት ደርግ ዝነበረ ርክብ ክብን ለጠቕን እናበለ'ዩ ማዕቢሉ። ኣብ 1975 ገለ ካብ ቀንዲ መስረቲ ህወሓት ብህዝባዊ ግንባር ወታሃደራዊ ስልጠና ተዋሂብዎም ናብ ትግራይ ተፋንዮም። ብድሕሪ፡ ክሳብ 1985 ኣብ ዝነበረ እዋን ድማ፡ ጥቡቕ ወታሃደራዊ ምትሕግጋዝ የካይዱ ነይሮም። ድሕሪ 1985 ግን፡ ብሰንኪ ዝነበሮም ስነሓሳባዊ ፍልልይ ርክብ ዝበተኹሉ ኩነታት ተፈጢሩ ነይሩ። ኣብ 1988 ግን ዝምድንኦም ተመሓይሹ፡ ከምብሓድሽ ናብ መድረኽ ምትሕግጋዝ ማዕቢሉ። መርኣያ ናይዚ ድማ፡ ስርዓት መንግስቱ ሃይለማርያም ኣብ ግንቦት 1991 ኣብ ዝተደምሰሰሉ፡ ኣሃዱታት ኮማንዶን መካናይዝድን ህዝባዊ ግንባርን ምስ ተጋደልቲ ህወሓት ንከተማ ኣዲስ ኣበባ ብሓባር ኣትዮም። ኣብተን ዝቐጸላ ቀዳሞት 7 ዓመታት ድማ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ደማዊ ምዕራፍ ብምዕጻው፡ ናእዳን ኣድናቖትን ዝረኸበ ናይ ሰላምን ቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ዝምድና መስሪተን። መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂን፡ ፈለማ ፕረዚደንት ድሓር ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኾነ መለስ ዜናውን ጥቡቕ ዝምድና መስሪቶም፡ ክሳብ ብጽልኢ ዝፈላለዩ። እቲ ኣብ መንጎኦም ዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ ከኣ፡ ናብቲ ኣብ 1998 ዝተወለዐ ዶባዊ ኲናትን፡ ን20 ዓመታት ዝቐጸለ ምትፍናንን ኣምሪሐን።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55067886"} {"headline":"ኤርትራ ኣምባሳደራት ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ነበር ንዝሃብዎ ርእይቶ “ግጭት ዘሳውር’ዩ’ ክትብል ነጺጋቶ","content":"ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣመሪካ፡ ነቲ ኣምባሳደራት ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ነበር ብዛዕባ ግጭት ዝጸሓፍዎ ናይ ሓባር ቅሉዕ ደብዳበ \"ግጭት ዘሳውር'ዩ\" ክብል ገሊጽዎ። ኣብቲ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ፡ ኤርትራ ንመሬታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ስግኣት ፈጢራ ከምዘላ ዘስምዕ ምዃኑ \"ቅንዕና ዝጎደሎ'ዩ\" ኢሉዎ። \"ዋላ'ኳ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ዝሃብዎ ዘይሚዛናዊ ርእይቶ ክንዛረብ ዘይንደሊ እንተኾንና፡ ኣብቲ ኣብ ደብዳቢኦም ብዛዕባ ኤርትራ ዝበልዎ ቶኽታዂን ካብ ሕማቕ ሕልናን ዝነቐለ ጠቐነ ዝተሰምዓና ቁጠዐ ክንገልጽ ክንግደድ ኢና\" ይብል እቲ ሎሚ ዝወጸ መግለጺ። እቶም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኩነተ- ኵናት ኣብ ዝነበረሉ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኣምባሳደራት፡ ምስቲ ብዓብላልነት ህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወጊኖም ኣንጻር ረብሓ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ዝደገፉን'ዮም ክብል'ውን እቲ ኤምባሲ ግብረመልሲ ሂቡ። ቅድሚ ቁሩብ መዓልታት ኣርባዕተ ነባራት ኣምባሳደራት ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኩነታት ትግራይ ከምዘሻቐሎም ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝጸሐፍዎ ቅሉዕ ደብዳበ ገሊጾም ነይሮም። ኣብቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሪፖርተር ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ መጽሄት ዝወጸ ቅሉዕ ደብዳበ፡ \"ብዛዕባ ህላወ ወታሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዝወጹ ጸብጻባት ከምዝተሻቐልናን፡ እዚ ድማ ንመሬታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ክውድቖ ይኽል'ዩ\" ኢሎም። ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ትማሊ ረቡዕ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ \"ወታሃደራት ኤርትራ ብህጹጽ ካብ ትግራይ ክውጽኡ\" ከምዝጸወዐ ኣረጋጊጹ ነይሩ። እቲ ንቢቢሲ ዝተዋህብ መግለጺ፡ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ደብዳብ ከቢድ ብረት ኣካይዱ ክኽውን ከምዝኽእልን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብኤርትራ ኣቢሉ ኣብ ክልል ትግራይ ከምዝኣተወን ጠቒሱ። \"ዝምታ፡ ጾታዊ ጎነጽ፡ ኣብ ልዕሊ መዓስከራት መጥቃዕቲ ምፍጻምን ካልኦት ምግሃስ መሰላትን ይፍጸሙ ከምዘለዉ ዝገልጹ እሙናት ጸብጻባት ኣብ ግምእት ብምእታዉ፡ ወታሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹ ከምዘለዎም ኣመሪካ መርገጺኣ ኣነጺራ'ያ\" ይብል ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ንቢቢሲ ብጽሑፍ ኣብ ዝሃቦ መልሲ። \"ወተሃደራት ኤርትራ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓይሊ ካብ ትግራይ ከምዝወሰዱ'ውን ጭብጢ ኣሎ\" ኢሉ። እንተኾነ ግን፡ \"ኣብ ትግራይ ዘለዉ ወታሃደራት ኤርትራ ክንደይን ኣብይን ከምዘለዉ ብንጹር ኣይፍለጥን\" ኢሉ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መጀመርታ እዋናት ናይቲ ግጭት፡ ወተሃደራቱ ኣብ ክልል ትግራይ ኣትዮም ይዋግኡ ኣለዉ ንዝብል ክሲ ነጺግዎ’ዩ። ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዲና ሙፍቲ እውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ግጭት ተሳቲፉ'ዩ ዝብል \"መሰረት ዘይብሉ ፕሮፖጋንዳ'ዩ\" ክብል ገሊጽዎ ነይሩ። ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፡ \"እዚ ከምዚ ዓይነት ዘረባ እቲ ግጭት ዞባዊ መልክዕ ንምትሓዙን ምትእትታው ንምዕዳምን ተዓጢቖም ዝበልዎ እዩ\" ክብል ተዛሪቡ። እቶም ኣምባሳደራት፡ ነቲ ጎንጺ ብቐረባ ከምዝተኸታተልዎን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ምምዝባሎም ከምኡ'ውን ተጸበይቲ ርድኤት ምዃኖም ከምዘተሓሳስቦም'ውን ኣብ መልእኽቶም ጠቒሶም። እቶም ኣርባዕተ ኣምባሳደራት፡ ዴቪድ ሺን፣ ኡሬሊያ ብራዜለ፣ ቪኪ ሃድልስተንን ፓርቲሺያ ሃስላችን ካብ 1996 ክሳብ 2016 ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣምበሳደራት ኮይኖም ዘገልገሉ እዮም። ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሰንኪ እቲ ኣብ 1998 ዝተወልዐ ዶባዊ ኲናት ንኣስታት 20 ዓመታት ኣብ ኩነተ-ኵናት ድሕሪ ምጽንሐን ኣብ መስከረም 2018 \"ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን\" ምፍራመን ይዝከር። ዋላ'ኳ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታተን ናብ ንቡር ክመልሳ እንተኸኣላ፡ ዛጊት እቲ ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን። ዶባት ክልቲአን ሃገራት ንሓጺር እዋን'ኳ ተኸፊቶም እንተነበሩ፡ ክሳብ ሕጂ ተዓጽዮም ይርከቡ። እቲ ብ4 ሕዳር ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝተወልዐ ኵናት፡ ኣብቲ ክልል ሰፊሕ ምፍንቓል ኣስዒቡ ይርከብ። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብኦም ኣብ ሱዳን ክዕቆቡ እንከለዉ፡ ልዕሊ 2.2 ሚልዮን ድማ ኣብቲ ክልል ተፈናቒሎም ይርከቡ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55807354"} {"headline":"ኣብ ሑመራ ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ፡ ናብ ሱዳን ዝሰገረ ዶክተር ምስክርነቱ ይህብ","content":"ቅድሚ ሓደ ወርሒ፡ ኣብ ትግራይ ኲናት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ብዙሓት ሰባት ቤት ንብረቶም ገዲፎም ተሰዲዶም እዮም። ዛጊድ፡ ኣስታት 50 ሽሕ ሰባት ዶብ ሰጊሮም ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ተሰዲዶም እዮም። ካልኦት ብዙሓት ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ከም ዝተመዛበሉ ይግለጽ። ካብቶም ኲናት ምስጀመረ ናብ ሱዳን ዝሰገሩ ሰባት ሓደ፡ ዶክተር ቴድሮስ ተፈራ እዩ። ዶክተር ቴድሮስ፡ ኣብ ከተማ ሑመራ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዝሰርሕ ዝነበረ ሓኪም እዩ። ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን 08 ሕዳር 2020፡ ኣብ’ታ ከተማ መጥቃዕቲ ክኽፈት ከሎ ኣብኡ ነይሩ። “ፈለማ፡ ብምብራቓውን ሰሜናውን ሸነኽ ናይ’ታ ከተማ ደብዳብ ከቢድ ብረት ጀሚሩ። እቲ ደብዳብ ንምሉእ ክፋል እታ ከተማ ዒላማ እናገበረ ቀጺሉ” ይብል። ድሕሪ’ዚ ኸኣ፡ ሰባት ከም ዝሞቱን ከም ዝቖሰሉን ይዛረብ። “ኣብ ዝተፈላለየ ኣካላቶም ዝተወግኡ ሰባትን፡ ሬሳታትን ክንቅበል ጀሚርና” ይብል እቲ ዶክተር። “ኣብ’ቲ ናይ መጀመርያ መዓልቲ ኣስታት 15 ዝሞቱን 75 ድማ ዝቖሰሉን ሰላማውያን ሰባት ተቐቢልና” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። እቲ ደብዳብ ከቢድ ብረት፡ ኣብ’ቲ ፈላማይ መዓልቲ ምሉእ ድሕሪ ቀትሪ ከምዝቐጸለን፡ ብጽባሒትኡ ድማ ንጉሆ መሊሱ ከምዝጀመረን ይገልጽ። ኣብ’ቲ ካልኣይ መዓልቲ፡ ተወሰኽቲ ዝቖሰሉን ሾመንተ ድማ ዝሞቱን ሰባት ኣብ ሕክምና ከም ዝተቐበሉ ወሲኹ ተዛሪቡ። ድሕሪ’ዚ ግን ነቶም ተሓከምቲ ኾነ ንባዕሎም ኣብ’ቲ ቦታ ምጽናሕ ውሑስ ከም ዘይኮነ ከም ዝተረድኡን፡ “ክንወጽእ ኣለና” ኢሎም ከም ዝወሰኑን ይገልጽ። “ነቶም ዝቖሰሉ ተሓከምቲ ኣብ ናይ ሕርሻ መኪና ጽዒንና፡ ካብ ሑመራ 30 ኪሎሜትር ርሒቓ ናብ እትርከብ ቦታ [ኣደባይ] ኣቲና። ኣብ’ቲ ቦታ ደብዳብ ከቢድ ብረት እኳ እንተዘይነበረ፡ ውግእ ግን ይቕጽል ነይሩ። ድሕሪ ክልተ መዓልታት ግን፡ እቲ ውግእ እናሓየለ ናብ’ቲ ንሕና ዝነበርናሉ ክሊኒክ’ውን እናተጸገዐ ከይዱ። ድሕሪ’ዚ ንተሓከምትና ብመኪና ጽዒንና ዝሓሸ ውሑስ ናብ ዝኾነ ክፋላት ትግራይ ክነግዕዞም ነይሩና” ኢሉ። ድሕሪ’ዚ፡ ንባዕሎም ከድሕኑ ድማ፡ ብእግሮም ናብ በረኻ ከምዝሃደሙን ካብኡ ድማ ናብ ሱዳን ሓምዳይት ከም ዝኣተዉን የዘንቱ። ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሑመራ ዝነበረ ደብዳብ ከቢድ ብረት ክዛረብ እንከሎ ድማ “ዘይተወቕዐ ክፋል ናይ’ታ ከተማ የለን። ዕዳጋ፣ ኣብ ጥቓ እቲ መስጊድ ዝነበረ ቤተክርስትያን፡ መረባ ናይ’ቲ ሆስፒታል’ውን ተወቒዑ እዩ። ከቢድ ደብዳብ እዩ ነይሩ” ኢሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ ኣብ ሓፈሻዊ ከይዲ ኲናት፡ ሰላማዊ ቦታታት ዒላማ ከም ዘይተገበሩ እዩ ዝገልጽ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ’ውን ብሰኑይ ኣብ ባይቶ ኢትዮጵያ ቀሪቡ ክዛረብ እንከሎ “ዋላ ሓደ ሰላማዊ ሰብ ኣይሞተን” ክብል እዩ ተዛሪቡ። ዶክተር ቴድሮስ ግን “እቶም እንሕክሞም ዝነበርና ሰላማውያን ሰባት እዮም። ደቂኣንስትዮ፣ ዓበይቲ ኣደታት፣ ከምኡ ድማ ኣናእሽቱ ተባዕትዮ’ውን ተጠቒዖም እዮም” ኢሉ። እቲ ደብዳብ ከቢድ ብረት፡ ኣብ ከተማ ሑመራ ብወገን ሰሜንን ምብራቕን ከም ዝጀመረ ዘብርህ ዶክተር ቴድሮስ፡ ብወገን ሰሜን ድማ፡ ኣብ ሓጺር ርሕቐት ዶብ ኤርትራ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ብሰሜን ካብ መሬት ኤርትራ ይትኮስ ምንባሩ ብወገን ምብራቕ ድማ ሓይልታት ኢትዮጵያ የጥቅዑ ምንባሮም ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ’ዚ ኲናት መንግስቲ ኤርትራ ኢዱ ሓዊሱ እዩ ክብሉ ብተደጋጋሚ ከሲሶም እዮም። መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ግን ነዚ ክሲ ይነጽግዎ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55199575"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ሻቕሎት ኣብ ሃገራት ወጻእ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ","content":"መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ኣብ ኵናት ካብ ዝጽመዱ ድሮ ወርሒ ገይሮም ኣለው። እቲ ኵናት ካብ ዝጅመር ክሳብ ሕጂ ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኢንተርነትን ስለ ዝተቛረፀ ኣብ ትግራይ እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ብዙሕ ዝፍለጥ ነገር የለን። በዚ ከኣ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ዓለም ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ፡ ደሃይ ስድርኦምን ኩነታት ከባቢኦምን ክፈልጡ ስለ ዘይከኣሉ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ከም ዘለዉ ንቢቢሲ ገሊፆም። ሳሚ አብ ጀርመን ዝነብር ስድራይ ካብ ዝረክብ ልዕሊ ሰለስተ ሰሙን ኮይኑኒ ኣሎ። ብህይወት ይሃልው ኣይሃልዉ ዝፈልጦ ነገር የብለይ። ከም ዝፍለጥ ኩሉ ነገር ተቖራሪፁ እዩ። ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝበሃል ነገር የለን፤ ቴሌፎን፣ መብራህቲ ተዓፅዩ፣ ቀረባት ኣይኣቱን ዘሎ። ቤተሰበይ ብጥምየት ድዮም ክሞቱ፣ ብጥይት ዝፈልጦ ነገር የብለይን። እዚ ኩናት ምስጀመረ ብሰንኪ ጭንቀት ናብ ስራሕ ኣይኸድኩን፤ ኣብ ገዛ እየ ከፍ ኢለ ዘለኹ። እዚ ናተይ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ናይ ብዙሓት ተጋሩ ጸገም እዩ። ከይሃረስካ ኢኻ ትሓድር። ታይ ከምዝፍጠር ኣይትፈልጦን፤ ብጣዕሚ ኣተሓሳሳቢ ጉዳይ እዩ። ብፍላይ ኣብ ደገ ኮይንካ ምስቲ ዘሎ ናይ ሚድያ ኩነታት ክትርእዮ እንከለኻ፡ እቲ ሚድያ ዘቕርቦ ዘሎ ኩነታት ሓቂ ድዩ ሓሶት ትፈልጦ ነገር የለን። እዚ ባዕሉ ዝፈጥረልካ ጸቕጢ ኣሎ። ቅድሚ ሕዚ ኲናት የድሊ'ዶ ኣየድልን ኣብ ዝብል፡ ብኲናት ዝፍታሕ ጸገም ስለ ዘየለ እዚ ኲናት ንክተርፍ ብዓቕምና ብዙሕ እናፀሓፍና ነይርና። ኾይኑ ግን ናብዚ ኣቲና ኣለና። ኸምዚ ዝብልዎ ዘለዉ እንተኾይኑ፡ ህይወት ብዙሓት ንፁሃት ዜጋታት ክሃልቕ እዩ፣ ህፃናት ኣደታትን ድማ ክሞቱ'ዮም። ብጣዕሚ ዘሕዝን'ዩ፤ ኣብዚ ኩነታት እዚ ክንኣቱ ኢና ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን። ስድራይ ካብ ዘይረክብ ከባቢ 20 መዓልቲ ጌረ ኣለኹ፤ ኣመና ተሻቒልና። ኣሕዋትና ገንዘብ ንሰደሎም ነይርና፤ ሕዚ ግና ባንኪ እውን ተዓፅዩ እዩ። ብዙሕ ሰብ ይሞት ከም ዘሎ ስለንሰምዕ ድማ፡ ረጊእና ክንሰርሕ ኣይክኣልናን። ልብና ጠጠው ኢላ እያ ዘላ። እቲ ኵናት ደው ክብል እየ ዝደሊ። ካብ ዓዲ ርሒቐና ብምህላይና እቲ ኩነታት ሚሒር ረቢሹና ኣሎ። ብሎሚ ጽባሕ እቲ ኲናት ደው ክብል እዩ እናበልና፡ መዓልታት ተቖጺሮም፤ መሕዘኒ እዩ። ናብ ስዊድን ከተማ ቤኮ ንትምህርቲ እየ መጺአ፤ ኣስታት ኣርባዕተ ወርሒ ገይረ ኣለኹ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓድግራት መምህር ኮምፒዩተር ሳይንስ'የ ነይረ። ኣብ ዓድና ኲናት ካብ ዝለዓል ጀሚሩ፡ ብልሙድ ክንሓስብን ክንድቅስን ኮነ ትምህርቲ ብኣግባቡ ክንመሃር ኣይከኣልናን። ምኽንያቱ ምስ ቤተሰብ፣ ምስ ኣሕዋትናን መሓዙትናን ዘራኽበና ዝነበረ ቴሌፎን፣ ኢንትርኔትን ካልእ መገድን ተቛሪጹ እዩ ዘሎ። ከምዚ ኢልና 24 መዓልታት ኮይኑና ኣሎ። መጓዓዝያ የለን፣ ባንኪ የለን ኢልካ ክትሓስብ ከለኻ ኣብ ኣእምሮኻ ዝፍጠር ጭንቀት ንምግማቱ ቀሊል እዩ። በዚ ምኽንያት ስድራይ ኣገልግሎት ሕክምና፣ መድሓኒት፣ ነዳድን ካልኦት ዘድልዩ ነገራትን ኣይረኽቡን ዘለዉ ኢልካ ክትሓስብ ከለኻ፡ ብተወሳኺ ከኣ ኣብ ማእኸል ናይ ኲናት ከባቢ ብምህላዮም ዝፈጥረልካ ጸቕጢ ቀሊል ኣይኮነን። ካብ ዝግምቶ ንላዕሊ ኣብ ወጥሪ ኣቲና ኣለና። ብወገነይ ኣነ፡ ሕማም እውን ፈጢሩለይ ኣብ ሕክምና ኣትየ ነይረ፤ ቅድሚ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ መዓልቲ እየ ብመድሓኒት ካብ ሕክምና ወጺአ፤ ሕዚ'ውን መድሃኒት ይወስድ ኣለኹ። ድሕሪ ናይ 72 ሰዓታት ግዜ ገደብ፡ ከተማታት ክድብደባ ይኽእላ'የን ዝብል ክትሰምዕ ከለኻ፡ ክትጭነቕ ዝገብሩ እዮም። ብፍላይ ኣብ ስድራኻ፣ ኣብ ሕብረተሰብካ፣ ኣብ ትፈትዎም መተዓበይትካ ክበፅሕ ዝኽእል ነገር ክትግምቶም ወይ ከመይ ይኾኑ ኢልካ ክትሓስቦ ከለኻ፡ ብጣዕሚ ከቢድ ስለዝኾነ ኣብ ጭንቀት ኢና ዘለና።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/55113070"} {"headline":"ኣብ ኣስመራ ከቢድ ነትጒ ከምዝተሰምዐ ተገሊጹ","content":"ትማሊ ምሸት፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ከቢድ ነትጒ ከም ዝነበረ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም። ቢቢሲ ነበርቲ ዝተፈላለያ ከባቢታት እታ ከተማ ሓቲቱ ብዝረኸቦ ሓበሬታ፡ እቲ ነትጒ ምሸት ከም ዝተሰምዐ'ኳ እንተገለጹ ኣበየናይ ኣንፈት ከም ዝዓለበ ግን ርግጸኛታት ኣይኮኑን። ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ፡ ከባቢ ሰዓት 8፡24 (2፡24) ናይ ምሸት ድምጺ ከቢድ ነትጒ ከም ዝተሰምዐ ብምግላጽ፡ መበገሲኡ ድማ ካብታ ከተማ ወጻኢ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጹ። ብተወሳኺ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ፡ እዚ ካብ ትግራይ ዝተተኮሰ መጥቃዕቲ ሮኬት እዩ ክብል ንዲፕሎማሰኛታት ብምጥቃስ ጸብጺቡ። ሰበ ስልጣን ኤርትራ ግን ክሳብ ሕጂ ዝሃቡዎ መብርሂ የለን። ቅድሚ ክልተ ሳምንቲ ብተመሳሳሊ ኣብታ ከተማ ከቢድ ነትጒ ዝተሰምዐ ኮይኑ፡ ካብ ትግራይ ዝተተኮሰ ምዃኑ መንግስቲ ትግራይ ሓላፍነት ከም ዝወሰደሉ ይዝከር። ኤርትራ ብዛዕባ እዞም ቅድም ኢሎም ዝተተኮሱ ሮኬታት ወግዓዊ መግለጺ ከይሃበት ጸኒሓ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሚኒስትሪ ዜና የማነ ገብረመስቀል እቲ ተግባር ክፉእ ከም ዝኾነ ብምግላጽ ኣቓልቦ እንህበሉ ጉዳይ ኣይኮነን ክብል ብትዊተር ጽሒፉ ነይሩ። ኣብቲ ንሰሙናት ዝዘለቐ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ጸጥታ ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሰብ መዚ ትግራይ ብተደጋጋሚ ኤርትራ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ትድግፍ ኣላ ብዝብል ዝኸሰሱ ኮይኖም፡ ኤርትራ ግን ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ስለ ዝኾነ ኢደይ የብለይን ትብል።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55113066"} {"headline":"ቅልውላዉ ትግራይ፡ 'ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዶባት ዝርከቡ ቦታታት ኢትዮጵያ ሒዙ'ሎ' ይብል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ኣመልኪቱ ሎሚ ሰሉስ ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዝርከቡ ቦታታት ተቐጻጺሩ ከም ዝርከብ ተኣሚኑ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሎሚ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ዛዕባታት ንዝቐረበሉ ሕቶታት መብርሂ ኣብ ዝሃበሉ ኣጋጣሚ: ካብ ምጅማር ጎንጺ ትግራይ ኣትሒዙ ብተደጋጋሚ ይልዓል ብዛዕባ ዝነበረ ተሳትፎ ሰራዊት ኤርትራ ብዝምልከት መልሲ ሂቡ። በዚ መሰረት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ከባቢ ዶብ \"ስግኣት ጸጥታ ከም ዘለዎ\" ብምጥቃስ ኣብ ከባቢ ዶብ ኣብ ዝርከቡ ቦታታት ከም ዘሎን፡ ናይዚ ምኽንያት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ምዃኑን ገሊጹ። \"ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ዝርከበሎም ከባቢታት ብዝምልከት፡ መንግስቲ ኤርትራ ዘልዕሎ መጎት፡ 'ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበሮም ዕርድታት ለቒቕኩም ከይድኩም ኢኹም'። ናይ ህወሓት ሓይሊ ድማ ኣብ ልዕሊ'ቲ ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝፈጸመልና ገበን፡ ሕጂ'ውን ናብ ውግእ ንክንኣቱ ሮኬት እናተኮሰ ዓዲሙና ኣሎ። 'ናይ ሃገራዊ ድሕነት ስግኣት ኣለና። ብሰንኪ'ዚ ኣብ ዶባት ዝርከቡ ከባቢታት ሒዝናዮም ኣለና። ነገር ግን፡ ሰራዊትኩም ስርሑ ገዲፉ ነቲ ዕርድታት ዝቆጻጸሮም እንኾይኑ፡ ንጽባሒቱ ንሕና የለናን፡ ክንጸንሕ ኣይንደልን ኢና' ዝብል መከራኸሪ ኣቕሪቡ'ሎ\" ይብል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ። እንተኾነ ግን፡ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ መግለጺ ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዛጊት ዝተዋህበ ግብረመልሲ የለን። ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ኲናት ተሳትፎ ከም ዝገበረን፡ ኣብ ዝምታን ንብረት ምዕናውን ከምኡ'ውን ቅትለት ሰለማውያን ሰባት ከም ዝተሳተፈ ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጽኡ ብምጽንሖም፡ መንግስቲ ኣመሪካ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኤርትራ ብቕልጡፍ ሰራዊታ ካብ ትግራይ ከተውጽእ ክጽውዑ ምጽንሖም ይዝከር። እንተኾነ መንግስታት ክልቲአን ሃገራት ነቲ ዝቐርብ ክስታት ብምንጻግ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ ከም ዘይተሳተፈ ክገልጹ'ዮም ጸኒሖም። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ቅድሚ ሕጂ ንዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ከሰሓሕብ ዝጸንሐን ንኤርትራ ዝግባእን ከባቢታት ጥራይ ከምዝኣተዉ'ዩ ገሊጹ ነይሩ። እቶም ብመሰረት ውዕል ሰላም ኣልጀርስ ብኮሚሽን ዶብ ንኤርትራ ዝተዋህቡ ከባቢታት ክሳብ'ቲ ኲናት ዝውላዕ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ኢትዮጵያ ምጽንሖም ይፍለጥ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ወሲኹ: ኣብ ትግራይ ይካየድ ኣብ ዘሎ 'ወፍሪ ምኽባር ሕጊ' ይሳተፉ ዘለው ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ከምኡ'ውን ሰራዊት ኤርትራ ዝፈጸሙዎ ግህሰት እንተሃልዩ ስጉምቲ ክውሰድ'ዩ ኢሉ። ኣብቲ ክልል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን በዳላትን ከም ዝተፈጸሙ ዘመላኽቱ መረዳእታታት ይወጽኡ ከም ዘለው ብምግላጽ፡ በደል ኣብ ልዕሊ ዝፈጸሙ ስጉምቲ ክውሰድ ምዃኑ ተዛሪቡ። \"ኣብ ትግራይ ጾታዊ ዓመጽን ዝምታን ከም ዝተፈጸመ ዝገልጹ ጸብጻባት ኣለው። ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኮይኑ ኣብ ትግራይ ደቂ ኣንስትዮ ዝዓመጸን ንብረት ዝዘመተን ወተሃደር ብሕጊ ክሕተት እዩ\" ኢሉ። ይኹን'ምበር፡ ብዛዕባ እቶም ዝወጽኡ ጸብጻባት ብዝምልከት \"ልዑል ፕሮፖጋንዳን ምግናንን\" ኣሎ'ዩ ብምባል፡ \"ነዚ ገዲፍካ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተፈጺሙ'ዩ። ስለዚ ዋላ ሓደ ዝተፈጸመ በደል እንተሃልዩ ናይ መአረምታ ስጉምቲ ክውሰድ እዩ\" ዝብል መብርሂ ሂቡ። መንግስቲ ፌደራል፡ ሓይልታት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ዝጸንሐ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር (ሰሜን እዝ) መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ብምግላጽ ብ4 ሕዳር 2020 ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስድ ካብ ዝጅምር ንነጀው፡ ኣብቲ ክልል ብዝዋግኡ ዘለው ሓይልታት ሓያሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ጾታዊ ዓመጽን ከም ዝተፈጸሙ ተሓለቕቲ መሰላት ክገልጹ ጸኒሖም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቶም ተፈጺሞም ዝብሃሉ ግህሰታት ዘካየዶ መጽናዕቲ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ብወገን እቲ ኮሚሽን ኮነ ብወገን መንግስቲ ዝቐርብ \"ናይ ቑጽርን ተግባርን ኣፈላላይ ክህሉ ይኽእል'ዩ። ዋላ ሓደ እንተኾነ'ውን ግን ክፍጸም የብሉን\" ክብል ተዛሪቡ። ይኹን'ምበር፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ተፈጺሙ ዝብሃል መጥቃዕቲ ክንድቲ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ዝብሃል ጾታዊ ዓመጽን ካልእን ዘይዝረበሉ ምህላዉ ቅኑዕ ኣይኮነን ብምባል \"ናይ ዓይኒ ሓበላ'ዩ\" ክብል ገሊጹዎ። \"እቶም ኣብ ትግራይ ብዝበጽሕ ዘሎ ጸገም ዝሳቐዩ ሰባት፡ መጥቃዕቲ ሰሜን እዚ ዝምልከት ዋላ ሓደ ነገር ኣየልዕሉን። ኣብ ትግራይ ደቂ ኣንስትዮ እኮ ብወዲ እየን ተደፊረን (ተዓሚጸን)፤ ናትና ወተሃደራት ግን ብሳንጃ'ዮም ተደፊሮም። ብዛዕብኦም ዘልዕል ሰብ የለን። ኣብ ማይ ካድራ ዝተፈጸመ ግፍዒ ተረሲዑ'ዩ። እቲ ኣውያት ኣብ ሓደ ቦታ ዝኾነሉ ኩነታት ናይ ዓይኒ ሓበላ እምበር ናይ በደል ማዕርነት ኣየርእን\"። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብ ትግራይ መጥቃዕቲ በጺሑዎ ናብ ኤርትራ ዝሃደመ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምሕብሓብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝገበሩዎ 'ውዕለት' ዳግም ብምምስጋን፡ \"ታሪኽ ኢትዮጵያ ዝርስዖ ኣይኮነን\" ኢሉ። ወሲኹ፡ \"ይኹን'ምበር ናይ ኤርትራ ሰራዊት ናይ ኢትዮጵያ ዶብ ሰጊሩ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ምንቅስቓስ እናገበረ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብሕማቕ ዝግለጽ ዝገብሮም ዝኾኑ ገበናት ብዝኾነ መንገዲ ኣይንቕበልን ኢና። ኣብቲ ምኽባር ሕጊ ተዓዲሙ ዝኣተወ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ'ውን ዝፈጸሞ በደል እንተሃልዩ'ውን ክሕተት'ዩ\" ብምባል ተዛሪቡ። ነዚ ብዝምልከት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ግዜ ካብን ናብን ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ብምልኣኽ ከም ዝተዘራረቡ ጠቒሱ። ብዛዕባ እቲ ተፈጺሙ ዝብሃል በደላት \"መንግስቲ ኤርትራ 'ኣብዚ ተግባር ዝሳተፍ ሓደ ናተይ ወተሃደር እንተሃልዩ ስጉምቲ ክወስድ እ'የ ብዝብል ኣትሪሩ ኮኒኑዎ እዩ\" ኢሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 27 ሃገራት ዝመጽኡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ከም ዘለው ዝጠቐሰ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ካብዚኦም ኣስታት 200 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዝኾኑ ተዛሪቡ። እቶም 90 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ መዓስከራት ዝርከቡ ኮይኖም: ልዕሊ 50 ሚኢታዊት ካብ መዓስከር ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እቲ ክልል ዝነብሩ እዮም ኢሉ። ኣብ ክልል ዓፋር ድማ ካልኦት 50 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምህላዎምን፡ ካልኦት ልዕሊ 70 ሽሕ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታትን ኢትዮጵያ ከም ዝርከቡ ጠቒሱ። ድሕሪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጥረ ቅልውላው እዞም ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ስደተኛታት ግዳያት ዝምታን መጭወይትን ከም ዝኾኑን: ሰብኣዊ ሓገዛት ከይረኽቡ ከም ዝተጸገሙን ደሃዮም ዘይፍለጥ ዝጠፍኡ ስደተኛታት ከም ዘለውን ብምግላጽ ዓለምለኸ ትካላት ስግኣቶም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም። \"ካብ መዓስከራት ጠፊኦም ናብ ከተማታት ዝመጽኡ ስደተኛታት ኣለው'ዮም። ሸውዓተ ሽሕ ዝኾኑ ናብቲ ካምፕ መሊስናዮም ኢና። ኣስታት ሓደ ሽሕ ድማ ኣብ ሽረ ረኺብና ንዩኤኤችሲኣር ናይ መጓዓዝያ ሓግዘና ኢልናዮ ባጀት የብለይን ኢሉና። በዚ ክነቕፉና ዝሓስቡ ኣካላት ልቢ ኢሎም ክርእዩ ይግባእ\" ብምባል ነቒፉ። ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገመንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ። ጠንቂ ናይቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ መጋቢት 2018 ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣንን ምድኻምን ምድፋእን ህወሓት ካብቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዓብላልነት ዓትዒትዎ ዝነበረ ፈደራላዊ ስልጣንን ዝተኣሳሰር'ዩ። ኣብ ሕዳር 2019፡ ኢህወዴግ ውሁድ ገዛኢ ሰልፊ ክኽውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ ህወሓት ነቲ ውሳነ ስለዘይተቐበሎ ከምዝወጽእ ኣነጺሩ። ኣብ ክፍላ ሕዳር ናይቲ ዓመት ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ፍትሕ ወግዓዊ ኮይኑ። በዚ ድማ ብልጽግና ገዛኢ ሰልፊ ኮይኑ፡ ህወሓት ከኣ ከም ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብዶ\/ር ኣብዪ ዝምራሕ ብልጽግና ደው ኢሉ። ኣብ መጋቢት 2020 ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል'ዩ ዝብል ምጉት ብምልዓል ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን። እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይቲ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ዝነበሮ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ንውሳነ ኮሚሽን ምርጫ ብምርዓም፡ ዕድመ ስልጣን ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት ክናዋሕ ውሳነ ኣሕሊፉ። ህወሓትን እቲ ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብወገኖም፡ እቲ ውሳነ \"ዘይሕገመንግስታዊን\" \"ዘይሕጋውን\" ብምባል ንውሳነ ናይቲ ቤትምኽሪ ነጺግዎ። ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልቲኡ ባይቶታትን ኣፍልጦ ከምዘይህቦም'ውን ኣፍሊጡ። እቲ ውሳነ ቅድሚ ምሕላፉ'ውን፡ እታ ኣፈጉባኤ ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝነበረትን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን ዝነበረት ወ\/ሮ ኬርያ ኢብራሂም እቲ ውሳነ ከይሓለፈ እንከሎ ተቓውሞኣ ንምግላጽ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ወሪዳ። ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንውሳነ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ድሕሪ ምጽዳቑ ኸኣ፡ ባይቶ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ምርጫ ከካይድ ብ12 ሰነ 2020 ወሲኑ። ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ክልላዊ ምርጫ ከካይዶ'ኳ ብወገን ትግራይ ጠለብ ቀሪቡሉ እንተነበረ፡ ስለዝነጸጎ፡ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ከቕውም ተገዲዱ። ብ9 መስከረም 2020 ድማ ምሉእ ብምሉእ ህወሓት ዝተዓወተሉ ክልላዊ ምርጫ ተኻይዱ። ድሕሪ'ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም። እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ። ብውገን ህወሓት፡ ዝርርብ ክካየድ እንተኾይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርት፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፈትሕን ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ክፍጠርን ዝብል ቅድመ ኵነት ቀሪቡ። እንተኾነ ግን፡ እቲ እናኸረረ ዝመጸ ምትፍናንን ወጥሪን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕን ሰፊሕን ኲናት ኣምሪሑ፡ ኣብቲ ክልል ከቢድ ቅልውላዉ ፈጢሩ ይርከብ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56487727"} {"headline":"ኤርትራውያንን ተጋሩን ተቐማጦ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ጀኔቫ ተቓውሞ የስምዑ ኣለው","content":"እቲ ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ዝቐጸለ ኲናት ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን \"ጠጠው ይበል\" ዝበሉ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኤውሮጳ ዝመጽኡ ተጋሩን ኤርትራውያንን፡ ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት-ፅሕፈት ሕቡራት ሃገራት ሰልፊ ተቓውሞ የካይዱ ኣለው። እዚ ትማሊ ዝጀመረ ሰልፊ ተቓውሞ ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልታት ዝቕጽል ኮይኑ፡ እቶም ሰልፈኛታት \"ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ህዝቢ ዝበጽሐሉ መገዲ ይከፈት፣ ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኢንተርነትን ናብ ንቡር ይመለስ\" ዝብሉ ድምጽታት ከስምዑ ውዒሎም። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ዝጀመሮ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ንመራሕቲ ህወሓት ኣብ ቀይዲ ንምውዓል ዝውሰድ 'ሕጊ ናይ ምኽባር ስርሒት'ዩ' ብምባል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ከም ዘብቅዐ'ኳ እንተገለጸ ሕጂ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ኲናት ይቕፅል ከም ዘሎ እዩ ዝግለፅ። ብ 4 ሕዳር 2020 ለይቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ንመዓስከራት ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣጥቂዖም ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር አብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ክልቲኦም ወገናት ናብ ቅሉዕ ጎነጽ ኣምሪሖም። ብሰንኩ ድማ ብዙሓት ሰባት ተመዛቢሎም ከም ዘለው ይግለጽ። ካብ ሞንጎ ኣተሓባበርቲ እዚ ሰልፊ ዝኾነ ኣቦ ወንበር ማሕበር ተጋሩ ነበርቲ ስዊዘርላንድን ኣይተ ታደለ ግርማይ፡ 'ሕቡራት መንግስታትን ካልኦት ትካላት ዓለምን ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ጠጠው ከብሉ ኢና ንጠልብ' ይብል። \"እቶም ድምጽና ንክሰምዑ ንምሕጸኖም ዘለና ኩሎም ኣብ ጄኔቫ ዘለው ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝበጽሕ ዘሎ በደላት ዓገብ ንክብሉልና፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ማዕቀብ ብምድንጋግ እቲ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ደው ንከብሉልና ንምሕጸን\" ኢሉ። ትካል ሰብኣዊ ረዲኤት ሕቡራት ሃገራት (UNOCHA) ብሰንኪ'ቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ትግራይን ዝተወለዐ ኲናት ከጋጥም ዝኽእል ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዘስገኦ ብምግላጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተዓጸወ መራኸቢታት ክኸፍትን ሰብኣዊ ሓገዝ ተበጻሒ ክኸውንን ክጽውዕ ጸኒሑ እዩ። ብመሰረት ካብ 20 ታሕሳስ ጀሚሩ ካብ መንግስትን ትካላት ሰብኣዊ ረዲኤት ዝተወጻጽኡ ክልተ ጉጅለታት ዘካየድዎ ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ድማ፡ ኣብ ትግራይ ከቢድ ሰብኣዊ ኩነታትን ሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት መነባብሮን ከም ዘለዉ ከም ዘረጋገጹ እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ጎንጺ ጠጠው ብምባል፡ በቲ ኲናት ዝተሃሰየ ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝረኽበሉ መንገድታት ክኽፈትን ዓለም ለኸ ትካላት ፀቕጢ ክገብሩ ርኢይቶኦም ንቢቢሲ ዝሃቡ ሰልፈኛታት ተማሕፂኖም። ሙዚት ብርሃነ ዝተባህለት ተቐማጢት ስዊዘርላንድ፡ \"ዓለማዊ ትካላት ጸቕጢ ብምግባር ናብ ተግባር ክኣትዋ ኣለወን፤ ኣብዘን ሰለስተ መዓልታት ድማ ዝለዓለ ምላሽ ክህቡና ንጽበ፤ እንተዘይኮይኑ ግን ካብዚ [ቤት ጽሕፈት ጄኔቫ] ኣይንንቀሳቐስን\" ኢላ። ቀንዲ ትኹረቶም ሰብኣዊ ሓገዛት ዝበጽሑሎም መገዲታት ክኽፈቱ፣ ኣገልግሎት ሕክምና ብምስኣን ዘጋጥም ሞት ኣቓልቦ ክግበረሉ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ተዓጽዩ ዘሎ ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኢንተርነትን ክኽፈት ዝኽእለሉ ሃዋህው ንክፍጠር ንማሕረሰብ ዓለም ግንዛበ ምፍጣር ከም ዝኾነ'ውን ተሳተፍቲ እቲ ሰልፊ ተቓውሞ ገሊጾም። ብፍላይ ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽን ግህሰትን ምህላው ዘመላኽቱ ሓበሬታታት ምምጽኦም ከም ዘሻቕሎም ዝገልጹ እቶም ወሃብቲ ርኢይቶ፡ ብምኽንያት እቲ ጎንጺ ንዘጋጥም ቕትለት ዜጋታት፣ ምዝማትን ምዕናውን ንብረት ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረዩ ሓቲቶም። ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ጆሴፍ ቦሬል፡ እቲ ሕብረት ኣብቲ ክልል ከይዱ ንምርኣይን ሓገዝ ንምምብጻሕን ሙሉእ መገዲ ክኽፈተሉ ከም ዝደልን ተዛሪቡ ነይሩ። ብቐንዱ፡ ነቲ ዶብ ሰጊሩ ኣብቲ ኵናት ተሳቲፉ'ዩ ዝብሃል ሰራዊት ኤርትራ፡ ካብ ትግራይ ክወጽእ'ውን እቶም ሰልፈኛት ጸዊዖም። ኣብ ቀረባ መዓልታት ሓደ ወተሃደራዊ ኮማንደር መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ከም ዝኣተው ተኣሚኑ ነይሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰብመዚ ኤርትራን ግና፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብዚ ኩናት ከም ዘይተሳተፈን ''ፕሮፖጋንዳ'' ከም ዝኾነን እዮም ዝገልፁ። ኣብ ትግራይ ኣስታት 2.3 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮም ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣመልኪቱ። ትካል ሰብኣዊ ረዲኤት ሕቡራት ሃገራት (UNOCHA) ኣብ ዘውጽኦ እዋናዊ መብርሂ፡ ካብ 7 ሕዳር 2020 ጀሚሩ ቁጽሪ ናይቶም በቲ ኲናት ተፈናቒሎም ናብ ሱዳን ዝሃደሙ ስደተኛታት ልዕሊ 55,000 ከም ዝበጽሐ'ውን ጠቒሱ። ሰራሕተኛታ ረድኤት ቅድሚ ሕጂ ናብ ዘይተፈቐዱ ከባቢታት ከተማ ምብጻሕ ከም ዝኸኣሉን ኣብ ወሰና ወስን መቐለ፣ ሸራሮ፣ ሽረን ካልኦት ከባታትን ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ውግኣት ይካየዱ ከምዘለዉ እውን ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ'ሎ። ኣብዚ እዋን'ዚ ካብቶም 40 ሆስፒታላት ትግራይ 4 ጥራይ ኣገልግሎት ይህቡ ምህላዎም ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ፡ ትሕተ-ቅርጺ እቲ ክልል ከቢድ ዕንወት ወሪድዎም ከም ዘሎ ጠቒሱ። ናብቲ ክልል ህጹጽ ረዲኤት ንምብጻሕ ናይ ቢሮክራሲ ምድንጓያት ብምህላዎ፡ ክቀላጠፍ ተማሕጺኑ'ሎ። ሰብመዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብወገኖም፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላዉ ልዕሊ 2.2 ሚልዮን ሰባት ከምዝተፈናቐሉ ኣብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተዛሪቦም ነይሮም። ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣቶ ገብረመስቀል ካሳ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፍርቂ ካብቶም ተፈናቐልቲ ኣባይቶምን ንብረቶምን ዓይንዩ ካብ ምዕራብ ትግራይ ከም ዝሃደሙ ብምጥቃስ፡ \"ኣብ ኢዶም ምንም ዓይነት ንብረት የብሎምን\" ኢሉ። ፍርቆም ድማ ካብ ካልኦት ከባቢታት ተፈናቐሎም ብእግሮም ናብ ከተማታት ኣኽሱም፣ ዓዲ-ግራት፣ መቐለን ሽረን ዝኣተዉ'ዮም። \"እዞም ወገናት ኣብ ከቢድ ሓደጋ ይርከቡ\" ንዝበሎም፡ ብመንግስቲ ፌደራል ትኹረት ተዋሂብሉ ሓገዝ ንኽበጽሖም ክግበር ምዃኑ ኣቶ ገብረመስቀል ኣፍሊጡ። መንግስቲ ፈደራል ምስ ግዝያዊ ምምሕር እቲ ክልል ብምትሕብባር ብቕልጡፍ ነቲ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ንምፍታሕ ክንቀሳቐሱ ምዃኖም'ውን ቃል ኣትዩ። ዓለምለኻውያን ትካላት ረዲኤት፡ ብዘይ ዝኾነ ገደብ ናብቲ ክልል ንምእታዉ ምስ ሰብ መዚ ክዘራረቡ'ኳ እንተጸንሑ ከም ዘይሰለጦም ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም። ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ዝርከቡ ኣስታት 100,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ምህላዎም ይዝረብ። ኣብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊት ርክባት ወጻኢ ጁልያ ራፋኤል ብ7 ጥሪ 2020 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፡ ናብ መዓስከራት ስደተኛታት ክኣተው ስለዘይክሉ ብዛዕባ ሃለዋት እቶም ስደተኛታት ተሻቒሎም ከም ዘለው ገሊጻ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ መዓስከራት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ውሱን ናይ መግቢ ቀረባት \"ብመሻርኽቲ ኣካላት\" ከም ዝተላእኸ 'ዩኤንኦቻ' ሓቢሩ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55613012"} {"headline":"ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዲፕሎማስያዊ ሕልኽላኽ ዝፈጠረ መግለጺ ብዓልስልጣን ኢትዮጵያ","content":"ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን፡ ነቲ ብኣፈኛ ናይቲ ንሱ ዝመርሖ ሚኒስትሪ ብዛዕባ ናጽነት ኤርትራ ዝተዋህበ መግለጺ ኣመልኪቱ \"ብወግዒ ይቕሬታ\" ከምዝሓተተ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ። ብሰሉስ፡ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝኾነ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፡ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ዝተፈለይሉ መዓልቲ ናጽነቶም ከምዘየኽብርዎን ከምዘይፈትውዎን ተዛሪቡ ነይሩ። ብድሕሪኡ ንቢቢሲን ንመንግታዊ መደበር ተለቪዥን ሃገሩን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ንብዙሓት ኤርትራውያን ዘቖጠዐ መግለጺኡ 'ተጠምዚዙ'ዩ ቀሪቡ' ብምባል፡ ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዓቢ ክብረት ከምዘለዎ ተዛሪቡ ነይሩ። እቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኾነ ኣቶ ደመቀ መኮነን ምስ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቶ ሃብቶም ዘርኣይ ድሕሪ ምርኻቡ፡ እቲ በቲ ኣፈኛ ፈለማ ዝተዋህበ መግለጺ \"'ዘይእሩምን ተቐባልነት ዘይብሉን'\" ክብል ከምዝገለጾ እቲ ኤምባሲ ጠቒሱ። እቲ ኤርትራዊ ዲፕሎማት \"መልእኽቲ መንግስቲ ኤርትራ\" ብወግዒ ናብቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ከምዘብጸሐ'ውን መግለጺ ኤምባሲ ኤርትራ ሓቢሩ። ብወገን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ግን ብዛዕባ'ቲ ዝተባህለ ናይ ይቕሬታ መግለጺ ብወግዒ ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን። ኣምበሳደር ዲና ሙፍቲ ብዛዕባ ኤርትራ እንታይ'ዩ ኢሉ ነይሩ? ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ \"ዝተፈለይሉ መዓልቲ ኣየኽብርዎን'ዮም፡ ኣይፈትውዎን'ዮም\" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። \"ሰብ ኣይሓትትን እዩ እምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ እንተዝሕተት ኣብዚ እዋን ካብ ኢትዮጵያውያን ዝተፈለዩሉ መዓልቲ ኣየኽብርዎን እዮም፡ ኣይፈትውዎን እዮም። \"ኣብ ደገ ዘለው ይዛረቡ እዮም። ብወገን ኢትዮጵያውያን'ውን ተመሳሳሊ ስምዒት እዩ ዘሎ። ምስ ኤርትራ ኣይኮነን ምስ ዝተረፋ ጎረባብቲ ሃገራት'ውን ሓደ እንተንኸውን ጽቡቕ እዩ። ምስ ኤርትራ ዝነበረና ርክብ እኳ ሓደ ህዝቢ ሓደ ሃገር እኳ እዩ\" ክብል ምዝራቡ ኣብ ኤርትራውያን ሓያል ቁጠዐ ፈጢሩ ኣሎ። ዲፕሎማሰኛታት ዝርከብዎም ብዙሓት ኤርትራውያን በቲ መግለጺ ከምዝተቖጥዑን፡ እቲ ኣፈኛን መንግስቲ ኢትዮጵያን ብወግዒ ይቕሬታ ክሓቱን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክጽሕፉ ቀንዮም ነይሮም። ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ'ውን፡ ነቶም ዝተቖጥዑ ኤርትራውያን ብምድጋፍ፡ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብድምቀት ከምዝብዓል ብምምስካር \"ርሑስ ልደት ኤርትራ\" ክብል ነቲ ኣብ ዝመጽእ 24 ዝጽንበል መበል 30 ዓመት ናጽነት ዘለዎ ሰናይት ትምኒት ገሊጹ። እቲ ኣፈኛ፡ ኣሉታዊ ግብረመልሲ ድሕሪ ምርካቡ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ \"ንኤርትራውያን፣ ንናጽነት ኤርትራን ኤርትራ ከም ሃገርን ዓብዪ ክብሪ ኣለኒ፡፡ ሓደ ሓደ ግዜ ሰባት ካብቲ ዝተብሃለሉ ዓንኬል ወጻኢ ወሲዶም ስምዒታዊ ይገብሩዎ እዮም\" ክብል ተዛሪቡ። ይኹን እምበር፡ ኣብ መብርሂኡ ምሉእ ይቕሬታ ብዘይምሕታቱ መሊሶም ዝተቖጥዑ'ውን ኣይወሓዱን።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56608643"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ቑጽሪ ኣብ ኣክሱም ዝተቐትሉ ሰባት ልዕሊ'ቲ ዝሓዝናዮ'ዩ -ኣምነስቲ","content":"ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል: ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝተሳተፉ ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ኣክሱም ብርክት ዝበሉ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉ ዘረጋግጹ መረዳእታታት ከም ዝኣከበ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። ኣብ ትካል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ተመራማሪ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣቶ ፍስሃ ተክሌ ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ጥራሕ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝበጽሐ ጨፍጫፍ ዝምልከትን ብዛዕባ ዝወጽአ ጸብጻብን ሓቲትናዮ። ቢቢሲ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ቤተክርስቲያን ኣክሱም ማርያም ጽዮን 750 ሰባት ተቐቲሎም ዝብሉ ሓበሬታታት ይወጽኡ ነይሮም። እቲ ሕጂ ኣምነስቲ ዘውጽኦ ጸብጻብ ግን ብዛዕባ እዚ ዝብሎ የብሉን፤ ስለዚ እቲ ሓበሬታ ግጉይ'ዩ ክንብሎ ንኽእል'ዶ? ኣቶ ፍስሃ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኣክሱም ዝርከብ ጽላት ክወስዱ ብዝተፈጥረ ዕግርግር ህይወት ሰብ ጠፊኡ ብዝብል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ይዝርጋሕ'ኳ እንተነበረ ንሕና ግን ነዚ ዘረጋግጽ መረዳእታ ኣይረኸብናን። ይኹን'ምበር፡ ብ19ን 20ን ሕዳር 2013 ዓ.ም፡ ኣዝዩ ክፉእ ጨፍጫፍ ከም ዝተኻየደ ኣረጋጊጽና። ብ19 ሕዳር ገለ ኣባላት ሚሊሻ ኣብ ጥቓ እቲ ቤተክርስቲያን ኣብ እትርከብ ንኡሽቶ ጎቦ ኮይኖም ምስ ሰራዊት ኤርትራ ይታኾሱ ነይሮም። ድሕሪኡ ሰራዊት ኤርትራ፡ ካልእ ተወሳኺ ሓይልን ኣጽዋትን (ታንክታት ሓዊሱ) ተጠቒሞም መጥቃዕቲ ፈጺሞም። ኣብ መገዲ ዝረኸቡዎን ገዛ ንገዛ እናኣተው ዝረኸቡን ወዲ ተባዕታይ ይቐትሉ ምንባሮም መረዳእታ ረኺብና ኢና። እዚ ንኻልኣይ መዓልቲ'ውን ቀጺሉ። ኣስክሬን ምልዓል ኣይፍቀድን ነይሩ። ብ21 ሕዳር 2013 ዓ.ም ኣብ በዓል ማርያም ጽዮን ንክቕበሩ'ዩ ተፈቒዱ። ምስቲ ጽላት ብዝተሓሓዝ ዘይምርድዳእ ከም ዝነበረ ነጊሮምና'ዮም፤ ግን ናብ ቅትለት ኣየምርሐን። ካህናት እቲ ቤተክርስቲያን \"ናብ ቤተክርስቲያን እንተኣቲኹም ደወል ክንድውል ኢና፤ ህዝቢ ግልብጥ ኢሉ ክወጽእ'ዩ፤ እዚ ከኣ ከቢድ ጥፍኣት ክፈጥር'ዩ\" ስለ ዝበሉዎም ኣይኣተውን። ኣብ ኣኽሱም ዘለው ዓበይቲ ሰባት ኢና ኣዘራሪብና። እዚ'ዩ እቲ ዘሎ ሓበሬታ። ቢቢሲ፡ እዚ ካብ ኣክሱም ዝተኣከበ ሓበሬታ ብኸመይ ኢኹም ኣረጋጊጽኩምዎ? ኣቶ ፍስሃ፡ ብቑጽሪ ብዙሕ ሰብ ኢና ኣዛሪብና። እቶም 23 ናብ ሱዳን ዝተሰደዱን ኣብ ኣክሱም ደብዳብ ከበድቲ ኣጽዋር፣ ዝምታን ቕትለትን ክካየድ እንከሎ ኣብታ ከተማ ዝነበሩን ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ዝተሳተፉን'ዮም። ካልእ መስመር ቴሌፎን ምስተኸፍተ፡ 18 ዝኾኑ ስድራት ምውታት፣ ነበርትን ዓበይቲ ዓድን ኣክሱም ኣዘራሪብና። በዚ መሰረት ሽም ዝርዝር መወትቲ ኣኪብና። እዚ ሓደ ምስቲ ካልእ ብምምስኻር ክነረጋግጽ ፈቲንና። ዋላ'ኳ እቲ ዝረኸብናዮ ሽም ዝርዝር ኣስታት 240 እንተኾነ፡ እቲ ቑጽሪ ግን ካብዚ ንላዕሊ'ዩ። ካልእ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ዝተወስዱ ናይ ሳተላይት ምስሊታት ተጠቒምና ኢና። ብፍላይ ደብዳብ ከበድቲ ብረትን ሰባት ኣብ ዝተቐብሩሎም ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብቲ ዕለት ዝነበሩ ሓደሽቲ መቓብር ኣርእዮምና እዮም። በዚ ኢና ኣረጋጊጽና። ቢቢሲ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሓባር ነታ ከተማ ከም ዝተቖጻጸሩዋ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ። ግን ድማ ብዛዕባ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝገልጾ ነገር የለን። እቲ ሰራዊት ነቲ ዝተፈጸመ ቕትለት ጠጠው ከብል ዝወሰዶ ስጉምቲ የለን ማለት ድዩ ወይስ መረዳእታ ኣይረኸብኩምን? ኣቶ ፍስሃ፡ ብሓባር'የም ተቖጻጺሮምዋ። ድሕሪኡ ግን ሰራዊት ኢትዮጵያ ክሳብ 30 ሕዳር ኣብታ ከተማ ኣይተራእየን። ሙሉእ ንሙሉእ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ሰራዊት ኤርትራ'ያ ነይራ። ውሑዳት ትካላት መንግስቲ ብውሑድ ሓይሊ ሓለዋ ይግበረሎም ነይሩ። ብቐንዱ ጸጥታ እታ ከተማ ተቖጻጺሩ ዘመሓድር ዝነበረ ግን ሰራዊት ኤርትራ ከም ዝኾነ መሰኻኽር ዓይኒ ነጊሮምና። ስለዚ፡ ብፍላይ ብ19 ሕዳር 2013ን ቅድሚኡን ኣብ ዝተፈጸሙ ቅትለታትን ዝምንታን ሰራዊት ኢትዮጵያ ምንባሮም ዘመላኽት ነገር ኣይርኣናን። ቢቢሲ፡ ኣብቲ መጽናዕቲ ኣምነስቲ ክልቲኦም ሰራዊት ነታ ከተማ ክቆጻጸሩ እንከሉ ገበናት ኲናት ፈጺሞም'ዮም ዝብል መእሰሪ ተኻቲቱ ኣሎ። ተሳታፊ እዚ ኲናት ብዛዕባ ዝኾነ ሓይሊ ህወሓት ዝተኻተተ መረዳእታ የብሉን። ዝፈጸሞ ገበን የለን? ኣቶ ፍስሃ፡ እዚ መጽናዕቲ ናይ ኣክሱም ጥራሕ'ዩ፤ እዚ ማለት ኣብ ካልእ ከባቢ ገበን ኣይፈጸመን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ኣክሱም ህወሓት ዝፈጸሞ ገበን ኲናት ዘረጋግጽ ግን ኣይረኸብናን። ብቐንዱ እቶም ተፈጺሞም ዝብሃሉ ገበናት ኲናትን ሰብኣውነትን ክወጽኡ ዝደለናሉ ምኽንያት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመርሖ መርመራ ንክካየድ እዩ። እዚ ምስ ዝግበር ተወሳኺ ሓበሬታ ክርከብ ይክኣል። ቢቢሲ፡ ኣብቲ ኲናት ጉዳይ ጥሕሰት ዓለምለኻዊ ሕጊ ኲናት ምህላው ይለዓል። እዚ ብኽልቲኡ ወገን ዘሎ ተሳትፎ ዩኒፎርም ዘይኽደኑ ኣባላት ሚሊሻ'ዩ። እዚ ኣባላት ሰራዊት ካብ ተዋጋእቲ ንምፍላይ ኣጸጋሚ ኮይኑ'ሎ ይብሃል። እዚ ኣብ ጸብጻብኩም ጸቕጢ ከይፈጥር ዝገበርኩምዎ ጥንቃቐ እንታይ'ዩ? ኣቶ ፍስሃ፡ እዚ ኣብ ግምት ውሽጢ ኣእቲናዮ ኢና። ሚሊሻ ሓምላይ ዩኒፎርም ኣለዎም። እቲ ፍሉይ ሓይሊ'ውን ናይ ባዕሉ ክዳን ተኸዲኑ'ዩ ኣብቲ ኲናት ዝሳተፍ ነይሩ። ይኹን'ምበር፡ እቶም ዝሞቱ ሰባት ክንሪኦም እንከለና፡ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ፣ ህጻናት፣ ኣረጋውያንን ካብ ገዝአን ዝወጽአ ደቂ ኣንስትዮን'ዮም። እዚ ዩኒፎርም ኣይተኸደነን ብዝብል ዝቕተለሉ ምኽንያት የለን። ዩኒፎርም ኣይተኸደኑን ብዝብል ኢና ሰላማውያን ሰባት ቀቲልና ዝብል ነቲ ዝተፈጸመ ነገር ኣየቃልሎን። ቢቢሲ፡ ነቲ ተግባር የቃልሎ'ዩ ብዝብል ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ሲቪል ዜጋታት ተባሂሉ ቑጽሮም ዝተጠቕሰ ምውታት፡ ከምዚ ዓይነት ጸቕጢ ኣሕዲሩ እንተኾነ ብዝብል'ዩ። ኣቶ ፍስሃ፡ ንሕና ብዝግባእ ክነረጋግጾም ናይ ዝኽኣልናን ሽሞም ናይ ዝተረኽበን ስቪላት ኢና ጠቒስና። ካብዚ ወጻእ ማንነቶም ዘይተፈልጠ ሰባት ክህልው ይክእሉ'ዮም። እቲ ዝጥቀስ ቑጽሪ ካብቲ ንሕና ዝሓዝናዮ ሽም ዝርዝር ንላዕሊ'ዩ። ኣብዚ ሲቪል ዝተኸድኑ ተዋጋእቲ ኣለው'ዶ ዝብል ግን ዘረጋገጽናዮ ጉዳይ ኣይኮነን። ቢቢሲ፡ ሕጂ እቲ ኲናት ሰለስተ ወርሒ ገይሩ'ሎ። ድሕሪ እተን መጽናዕቲ ዝገበርኩምለን ክልተ መዓልታት ዘሎ ኩነታት ኣክሱም እንታይ ይመስል? ሕጂ'ውን ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኣክሱም ኣሎ ድዩ? ኣቶ ፍስሃ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንበዓል ሕዳር ጽዮን ናብታ ከተማ ምስከደ እቲ መጥቃዕቲ ደው ኢሉ። ብዕለት 20 2013 ዓ.ም፡ 20 ዓበይቲ ዓዲ ናብቲ ኣዛዚ ሰራዊት ኤርትራ ከይዶም ነቶም ዝተቐትሉ ክቐብሩዎም ከም ዝተማሕጸኑን እዚ ነቲ ዝፍጸም ዝነበረ ቅትለት ደው ኣብ ምባል ከም ዝሓገዘን እቲ ዘለና ሓበሬታ የረድእ። ሰራዊት ኢትዮጵያ በቲ ኩነታት ከም ዝሰንበደ ዘርኢ ነገር ኣሎ፤ በዚ ምኽንያት ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ካብታ ከተማ ክወጽኡ ከም ዝተገብረ ተገንዚብና ኣለና። እዚ ማለት ግን ኣብ ከባቢታት ኣክሱም መጥቃዕቲ ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን። ኣብቲ ጸብጻብ ኣይተኻተተን እምበር ኣብ ኣክሱም ሰላማውያን ሰባት ይቕተሉ ከም ዘለውን እዚ ኸኣ ብሰራዊት ኤርትራ ዝፍጸም ከም ዝኾነን ዘረጋግጽ መረዳእታ ኣለና። ገና መርመራ ነካይደሉ ዘለና ጉዳይ ስለ ዝኾነ፡ ኣብዚ ብዙሕ ክዛረብ ኣይኽእልን። ቢቢሲ፡ እቲ መጽናዕቲ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ዝነበረ ጨፍጫፍ ብሰራዊት ኤርትራ ዝተፈጸመ'ዩ ይብል። እንተኾነ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘቕረቦ ምኽረ ሓሳብ የለን። በዓል ሞያ ሕጊ ስለ ዝኾንካ በዚ መጥቃዕቲ ተሓታቲ ዝኸውን ኣካል መን'ዩ? ኣቶ ፍስሃ፡ ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ሓንቲ ሃገር ንዝፍጸሙ ተግባራት ተሓታቲ ዝኸውን መንግስቲ እታ ሃር እዩ። እንተኾነ ኣብቲ ግዝኣት ሙሉእ ቑጽጽር ዘይህልወሉ ግዜያት ክህሉ ይኽእል። ንኣብነት ናይ ወጻኢ ወራር ወይ'ውን ኲናት ሓድሕድ ክህሉ እንከሎ መንግስቲ ሙሉእ ቑጽጽር ወይ'ውን ስልጣን እንተዘይሃሊዩዎ እቲ ዝተቖጻጸረ ኣካል ተሓታቲ ይኸውን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ህወሓት ናይ ሓባር ጸላኢኦም ገይሮም ይዋግኡ'ዮም ዘለው። ስለዚ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮይኑ ክዋጋእ'ዩ መጺኡ። በዚ ምኽንያት ሰራዊት ኢትዮጵያ ውጽኢታዊ ቑጽጽር ኣይነበሮን ክብሃል ኣይኽእልን። ስለዚ ኣብ ግዝኣት ኢትዮጵያን ንዝተፈጸመ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ሓላፍነት ዝወስድ መንግስቲ ኢትዮጵያ'ዩ። እቲ ሓቢሩዎ ዝዋጋእ ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ እንተኾነ'ውን ኣብ ዝዋግአሉ ግዜ ሕግታት ኲናትን ሰብኣዊ መሰላትን ኣኽቢሩ ክንቀሳቐስ ምግባር፡ ሓላፍነት መንግስቲ ኢትዮጵያ'ዩ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/56206746"} {"headline":"ተስፋን ብደሆን ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ 2013 ዓ\/ም እንታይ እዩ?","content":"ኢትዮጵያ፡ ካብ ግንቦት 28 ክሳብ 05 ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ከተካይድ ቆጸራ ሒዛ ኣላ። ኣብ ከተማታት ኣዲስ አበባ፡ ድሬዳዋ፡ ብሄራዊ ክልላት ቤኒሻንጉል፡ ሃረሪ፡ ጋምቤላን ኦሮምያን ከኣ ካብ ለካቲት 08 ኣትሒዙ ንሰልፍታቶም ወኪሎም ዝዋስኡ ዝተፈላለዩ ሕጹያት ይምዝገቡ ኣለው። እቲ ምዝገባ ሕጹያት፡ ብ21 ለካቲት ከምዝውዳእ ከኣ ምርጫ ቦርድ ሓቢሩ ኣሎ። ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስታት ዓፋር፡ ኣምሓራ፡ ሲዳማ፡ ህዝብታት ደቡብን ሶማሌን ከኣ ካብ ለካቲት 15 ክሳብ 26 ለካቲት 2013 ዓመተ ምሕረት ምዝገባ ሕጹያት ከምዝከናወን ምርጫ ቦርድ ኣፍሊጡ ኣሎ። ብመሰረት ሰሌዳ ግዜ ምርጫ ቦርድ፡ ካብ ሰኑይ 22 ለካቲት 2013 ዓመተ ምሕረት ኣትሒዙ ናይ መረጽቲ ምዝገባ ክካየድ እዩ። እቲ ኩነታት ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስን ናይ ኦሮሞ ነጻነት ግንባር ፓርቲን መራሕቶምን ኣባላቶምን ስለዝተኣስሩዎምን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ዝነበረ ኣብያተ ጽሕፈቶም ስለዝተዓጽዎም ኣብቲ ዝግበር መረጻ ስምብራት ከምዝገድፍ ተዛሪቦም። ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ማእሰርቲ ንዘለው ኣባላቶም ብዋሕስ ናይ ምፍታሕ መሰሎም ኣኽቢሩሎም ከብቅዕ: ዛጊት ከምዘይተፈትሑ ብምግላጽ ቅሬታኦም ብተደጋጋሚ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ኣቕሪቦም እዮም። ግንባር ነጻነት ኦሮሞ (ኦነግ)፡ ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ (ኦፌኮ) ከምኡ እውን ባልደራስ ንሓቀኛ ዲሞክራሲ ፓርቲ (ባልደራስ) ኣመራርሓ ነዚ ሕጂ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው “ናብ ምርጫ ከንኣቱ የተሓሳስበና እዩ” ክብሉ ተዛሪቦም። ነዚ ብዝምልከት ኮሚሸን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ፖሊስ ካብ ቤት ፍርዲ ዝወሃብ ናይ ዋሕስ መሰል ከኽብር ሓቲቱ እኳ እንተነበረ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ደጊሙ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቶም እሱራት ናይ ዋሕስ መሰል ኣማሊኦም ክነሶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ እሱራት ስለዘለው ንኽወጽኡ ኣተሓሳሲቡ። ናይ ኢሰመኮ ዋና ኮሚሽነር ዶ\/ር ዳንኤል በቀለ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ “ኣብ ክልል ኦሮምያ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ናይ ዘይምኽባር እምቢታ ኣተሓሳሳቢ ብምዃኑ ህጹጽ ኣድህቦ ክግበረሉ የድሊ” ኢሉ። እዚ ዝቕጽል ሃገራዊ ምርጫ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝተገብሩ ምርጫታት ዝተፈልየ ክኸውን ይኽእል’ዶ? ኣብ ትካል ማክስ ፕላንክ ናይ ፖስት ዶክቶራል ፌሎ ዶ\/ር በሪሁን አዱኛ ገበየ፡ ኣብ ሕገ መንግስታዊ ጉዳይ ሓያሎ መጽናዕቲ ኣካይዱ እዩ። ሻድሻይ ኣጠቓላሊ ምርጫ፡ ኢትዮጵያ ካብ ዘካየደቶም ዝሓለፉ ሓሙሽተ መረጻታት ዝተፈልየ ዝገብሮ እታ ሃገር ሕጂ ዘላቶ ኩነታት ምዃኑ ብምግላጽ ይጅምር። ብዙሓት ወገናት እዚ ሕጂ ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ፡ ከምቲ ናይ ቀደም ናይ ዲሞክራሲ፡ ናይ ልምዓት ሰናይ ምምሕዳር ጉዳይ ጥራሕ ዘይኮነ፡ እታ ሃገር እትርከቦ ፖለቲካውን ማሕበራዊ ግጭት ክፈትሕ’ዩ ዝብል ትጽቢት ከምዘለዎም፡ ብፍላይ ሃገራዊ መሰረታዊ ለውጢ የድሊ እዩ ዝብል ናይ ሓባር መረዳእታ ብምህላው ፍልይ ከምዘብሎ ይዛረብ። ዶ\/ር በሪሁን እዚ ምርጫ’ዚ መሰረታዊ ምርጫ ምዃኑ መንግስቲ ክሓስብ ይግባእ ይብል። “[መንግስቲ] ምስ ተቓወምቲ ፓርቲታት ሓቢሩ ክሰርሕ ኣለዎ። ንበይኑ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ኣይኮነን” ክብል ድማ ይውስኽ። ዝሓለፈ ሓሙሽተ ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ትሕቲ ኢህወደግ እዩ ተገይሩ። እዚ ናይ ሕጂ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ግን፡ ኣብ ትሕቲ ሓዲሽ ሰልፊ ብልጽግና እዩ ዝግበር ዘሎ። ንሱ ንባዕሉ እውን ፍሉይ ከምዝገብሮ የረድእ። ካልእ ንዶክተር ብርሃኑ እዚ ምርጫ ከም ዝሓለፉ ምርጫታት ኣብ መላእ ሃገር ይካየድ ብዘይምህላው ካልእ ፍልይ ዘብሎ ነገር እዩ። እዚ ምርጫ እዚ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገር ብዘሎ ናይ ጸጥታ ጸገም ተስፋን ስግኣትን ሓቚፉ ዝካየድ ዘሎ ምርጫ እዩ። ብተወሳኺ \"ፖለቲካዊ ለውጢ ኣብ ዝካየደሉ ናይ መሰጋገሪ እዋን\" ይግበር ብምህላው ከኣ ካብቲ ዝሓለፈ ምርጫታት ፍልይ ከምዘብሎ ይዛረብ። እንተኾነ እዚ ናይ ሕጂ ምርጫ ካብቲ ዝሓለፈ ምርጫታት ይፍለ እዩ ወይ ኣይኮነን ከብሎ ዝኽእል እቶም ሰልፍታት ዘቕርቡዎ ፍልይ ዝበለ ሓሳብ እንተልዩዎም እዩ ይብል። እዞም ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣብ ዝመጽእ ሓሙሽተ ዓመት እንታይ ክገብሩ እዮም ዝደልዩ? እንተደኣ ከም ዝሓለፈ ምርጫታት ብዛዕባ ደሞክራሲ፡ ሰናይ ምሕደራን ልምዓትን ዝኣመሰለ ሕቶታት ሒዙን ንዕኡ ንምፍታሕ ጥራሕን ዝሕሰብ እንተኾይኑ፡ ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ምርጫ ብዙሕ ዝፈልዮ የለን። ግን ከኣ፡ ነዚ ሕጂ እታ ሃገር እትርከበሉ ማሕበራውን ፖለቲካውን ሽግራት ንምፍታሕ ዝዓለመ እንተኾይኑ ግን ፍልይ ከብሎ ይኽእል’ዩ ይብል። እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንመንግስታዊ ስጉምትታት ብተደጋጋሚ ብምንቃፍ ዝፍለጥ ኣቶ እያስፔድ ተስፋዬ ብወገኑ እዚ ናይ ሕጂ ሃገራዊ ምርጫ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየደ ሓሙሽተ ምርጫታት ዝተፈልየ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ግምት የብሉን። ከምኡ ዘበሎ ከኣ ልክዕ ከምቲ ኣብ ዘበነ ኢህወዴግ ዝግበር ዝነበረ፡ ሕጂ እውን ተቓወምቲ ሰልፍታት ከምዝደለዩዎ ከይጉስጉሱ ምዕንቃፍ፡ ኣባላቶም ምእሳር ኣብያተ ጽሕፈቶም ምዕጻው ዝኣመሰለ ነገር ይዕዘብ ብምህላው እዚ ናይ ሕጂ ምርጫ ካብ'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኢህወዴግ ዘካየዶ ምርጫ ዝተፈለየ ከምዘይከውን ይዛረብ። ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢዪ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ፖለቲካዊ ምህዳር ስለዝሰፍሐ ብዙሓት ፖለቲከኛታት ካብ ቤት ማእሰርቲ ብምፍተሖምን፡ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝደለዩዎ ቦታ ተንቀሳቒሶም፡ ብዘይ ተጽዕኖ ከም ልቦም ክጽብጽቡ ጀሚሮም ብምንባሮም፡ ከምኡ እውን ምስ ምርጫን ደሞክራሲን ብዝተሓሓዝ ነተን ዝርካበን ትካላት ዝመርሑ ብህዝብን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን እምነት ዝንበረሎም ግለ ሰባት ናብ ስልጣን ብምምጽኦም እዚ ናይ ሕጂ ምርጫ ካብቲ ዝሓለፈ እዋን ዝተፈለየ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ከምዝነበረ፡ እንተኾነ እቲ ተስፋ ኣብ መስርሕ ከምዝቐሃመ አቶ እያስፔድ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። “እንተኾነ ኩሉ እቲ ዝተነብረ ተስፋ ተኣልዩ ናብቲ ዝነበርናዮ ተመሊስና ኣለና” ዝበለ ኣቶ እያስፔድ፡ ፖለቲካዊ ባይታ ምጽባቡ ጥራይ ዘይኮነ ብዙሓት ሰባት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ጠቒሱ። ሎሚ እውን ኣብያተ ፍርዲ ንጹሃት እዮም ዝበሎም ሰባት ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ብዝተፈላለዩ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ትካላት ሪፖርት ይግለጽ ከምዘሎ ዝጠቅስ አቶ እያስፔድ፣ ቤት ፍርዲ ብተደጋጋሚ ክፍትሑ ወሲኑሎም ከብቅዕ፡ ፖሊስ በቲ ዝተባህሎ ክንዲ ዝፈትሖም ከተማን ቤት ፍርድን እንዳቐያየረ ዝተፈላለየ ክሲ ዝምስርተሎም ሰባት ከምዘለው ይገልጽ። ኣባላት ሰልፊ ባልደራስን ዝተፈላለዩ ናይ ኦሮሞ ተቓወምቲ ፓርቲታትን ምእሳሮም ጥራሕ ዘይኮነ፡ ቅድሚ ሕጂ ናይ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ናይ ተቓወምቲ ሰልፍታት ሓለፍቲ ኣብ ናይ ምርጫ ቦርድ ቀጽሪ ንኸይንቀሳቐሱ ምእጋዶም ባዕሉ እቲ ምርጫ ቦርድ ከምዝገለጸ ብምጥቃስ፡ ብኸምዚ ዓይነት ኩነታት እቲ ናይ ፖለቲካ ባይታ እናጸበበ “ፍትሓውን ዝተፈለየን ምርጫ ክግበር እዩ ኢልካ ኣይሕሰብን” ይብል። ዶ\/ር አብይ ናብ ስልጣን ዝመጽኣሉ ወቕቲ ሓደ ጋዜጠኞ እሱር ዘይነበራ ሃገር፡ ጋዜጠኛታት ብምእሳር እትጽራሕ ሃገር ኮይና ኣላ ክብል ይዛረብ። ዶ\/ር በሪሁን ብወገኑ፡ ፖለቲከኛታት ተኣሲሮም እናሃለው ዝካየድ ምርጫ፡ ኣብ ቀረባ እቲ ምርጫ ብሰላማዊ መገዲ ክካየድ ዘይምኽኣሉ፡ ንመጻኢ ከኣ ድሕሪ ምርጫ ንዝመጽእ ፖለቲካዊ ስርዓት ኣዎንታውን ኣሉታውን ተጽዕኖ ክህልዎ ከምዝኽእል ስግኣቱ ይገልጽ። እቶም ሰልፍታት የጋጥመና ኣሎ ዝብልዎ ሽግር ሕጂ እንተዘይተፈቲሑሎም ዳሕራይ ሰላማዊ ምርጫ ኣብ ምክያድ ጸገም ክፈጠር ይኽእል እዩ ክብሉ የረድኡ። እቲ ምርጫ ምስ ሓለፈ እቲ ዝዕወት ፓርቲ ዝተፈላለዩ ሕግታትን ፖሊሲታትን ኣብ ሕገ መንግስቲ ምምሕያሽ እንተገበረ፡ ነቶም ካልኦት ሰልፍታት ስለዘየሳትፍ ትርጉም ኣልባ እዩ ክኸውን ክብል ካብ ሕጂ ስግኣቱ ይሕብር። ምርጫ ቦርድኢትዮጵያ ነጻን ፍትሓውን ምርጫ ከካይድ ይኽእል ድዩ? ዶ\/ር በሪሁን ኣብ ቦርድ ምርጫ ዘይከሓድ ናይ ሕግን ምሕደራን ለውጢ ከምዝተገብረ ይገልጽ። \"ከም ውልቀ ሰብ እቶም ኣባላት ቦርድ ንዝመጽእ ምርጫ ነጻን ፍትሓውን ክገብሩዎ ድሌትን ተወፋይነትን ከምዘለዎም ይኣምን እየ። ግን እቲ ሓፈሻዊ ኩነታት ክረአ እንከሎ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ እዩ\" ክብል የረድእ። ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ምስ ኣብያተ ፍርዲ፡ ኣካላት ጸጥታን ድሕነትን እንተዘይኮይኑ ንበይኑ ክገብሮ ዝኽእል ነገር የሎን። ነብሲ ወከፍ ትካል ነናይ ገዛእ ርእሱ ተራ ከምዘለዎም ዝሕብር እቲ ዶክተር፡ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ነጻን ፍትሓውን ንምግባሩ ንቦርድ ምርጫ ጥራሕ ዝግደፍ ኣይኮነን ይብል። መንግስቲ፡ ተቓወምቲ፡ ህዝቢ፡ ኣካላት ፍትሒ ኩሉ ተሓባቢሩ እንተዘይሰሪሑ ሓደ ትካል ንበይኑ ዝገብሮ ነገር የለን። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ ቦርድ ምርጫ፡ ነጻን ፍትሓውን ምርጫ ከካይድ ይኽእል’ዶ ንዝብል “ መልሰይ ኣይከኣልን እዩ” ኢሉ። አቶ እያስፔድ ብወገኑ፡ ኣብያተ ጽሕፈት ኦነግን ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ተዓጽዮም ክነሶም ከመይ ገይሮም እዮም ሰልፍታት ኣብ ምርጫ ክሳተፉ ዝኽእሉ? ቦርድ ምርጫ ነዚ ሽግር እኳ ንምፍታሕ ቆራጽነት ከምዘይወሰደ የረድእ። ንሱ ባዕሉን ካልኦት ውልቀ ሰባትን ብሓባር ኮይኖም፡ ብኣካል ብምኻድ ኣብያተ ጽሕፈት ኦነግን ኦፌኮን ኣበይ ኣበይ ከምዝተዓጽወ ሓበሬታ ብምእካብ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ትዊተርን ፈይስ ቡክን ከምዘቕረቡዎ ይዝክር። እቶም ሰልፍታት እውን እንተኾኑ እቲ ጉዳይ ንቦርድ ምርጫ ብደብዳበ ብተደጋጋሚ ከምዝሓበሩ አቶ እያስፔድ የረድእ። እንተኾነ ምርጫ ቦርድ “ኦነግ ኮነ ኦፌኮ ኣብያተ ጽሕፈቶም ኣበይ ኣበይ ከምዝተዓጽዉዎም ንጹር ሓበሬታ ብዘይምርካቦም ከምዝተሸገሩ” ክዛረቡ ከምዝሰምዑ ይጠቅስ። ኣብ ዝተፈላለየ ወረዳታት ምርጫ ዝርከቡ ኣፈጸምቲ ምርጫ በዓል መን ምዃኖም ንህዝቢ ስለዘይተነግረን፡ ኣየናይ ኣፈጻሚ እንታይ ታሪኽን ድሕረ ባይታን ኣለዎ ምስ'ቲ ዝተዋህቦ ሓላፍነትነትከ ብኸመይ ይሳነ? መንከ ብዘይ ሻርነት ነቲ ምርጫ የፈጽም ዝብል ካብ ሕጂ ንምግማቱ ኣሸጋሪ ምዃኑ ሓቢሩ። ኣቶ እያስፔድ፡ ቦርድ ምርጫ ኣብ ኣዲስ አበባን ድሬዳዋን ምርጫ ዝካየደሉ መዓልታት ካብ ካልኦት ከባብታት ዝተፈልየ ምዃኑ ዝወሰነሉ ምኽንያት ብዝርዝር ንህዝቢ ከረድእ ዘይምስምዑ ኣብ ልዕሊ እቲ ቦርድ ጥርጣረ ከምዘሕደረሉ ተዛሪቡ። እቲ ኣብ ምርጫ ዝስዕር ሰልፊ፡ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ከምጽእ ድላይ እንተደኣ ሃልዩ፡ ሕጂ ምርጫ ቅድሚ ምጅማሩ “ብፍላይ ኣብ ኦሮምያን ካልእ ቦታታትን ምስ ዘለው ተቓወምቲ ሰልፍታት ምዝርራብ፡ ካብቶም ተቓወምቲ ንላዕሊ ነቲ መንግስቲ ዘመሓድር ፖርቲ ዝያዳ ረብሓ ኣለዎ ኢለ ይሓስብ” ኢሉ። ስግኣትን ተስፋን ምርጫ ኢትዮጵያ ንሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ተኣፋፊ እዋን እያ ተካይዶ ዘላ። ጉዳይ ዘተ ህዳሰ ግድብ፡ ምስ ሱዳን ዘሎ ናይ ዶብ ምስሕሓብ፡ እታ ሃገር ጸጥታዊ ወጥሪ እኳ እንተለዋ፡ ጸገማታ ንምፍታሕ “ዋላ እውን እንተደንጎየ ምርጫ ምክያድ ኣገዳሲ እዩ” ይብሉ። መንግስቲ ንዘውጽኦ ፖሊሲን መምርሕን ተቐባልነትን ሕጋውነትን ንኽረክብ፡ ምርጫ ምክያድ ኣድላይ እዩ ይብል። ዶ\/ር በሪሁን ይኹን ኣቶ እያስፔድ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ፖለቲከኛታት ከይፈታሕካ ምርጫ ምክያድ “እቲ ዝሓለፈ ጸገም ምድጋም እዩ” ይብሉ። ስለዝኾነ፡ ዘተን ልዝብን ክካየድን እሱራት ፖለቲካ ክፍትሑን ከኣ የዘኻኽሩ። ኣብ ሓምሻይ ሃገራዊ ምርጫ ኢህወዴግ ሚእቲ ብሚእቲ ምስዓሩ ዝዝከር ኣቶ እያስፔድ ሕጂ ንዝተፈልዩ ተቓወምቲ ምድባት ብሰላማዊ መገዲ ንኸይንቀሳቐሱ ምኽልካል ናብ ካልእ ኣማራጺ ከየምርሕ ዘተን ልዝብን ከምዘድሊ ይሕብር። ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ይዓዝዝ ዝበለ ኣቶ እያስፔድ፡ ህዝቢ ወከልቱ ኣብ ዘይተሳተፉዎ ጉባኤን ቤት ምኽርን ንዝወጽኡ ሕግታትን ፖሊሲታትን ክእዘዙ እዮም ኢልካ ምሕሳብ ከቢድ ምዃኑ ቅድሚ ሕጂ ንዝተኻየደ ተቓውሞታት ኣብነት ብምቕራብ የረድእ። ዶ\/ር በሪሁን ምርጫ ማለት ነታ ሃገር ንዝመጽእ ሓሙሽተ ዓመታት መን የመሓድራ ዝብል ምዃኑ ብምጥቃስ ሕጂ ግን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ፖለቲካን ሕግን ካልእ ብዙሕ ፍልልይን ስለዘሎ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ቁሩብ ፍልይ ከምዝብል ተዛሪቡ። እዚ ሕጂ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፍን እቲ ዝምረጽን እታ ሃገር ንዘለዋ ሽግር ንበይኑ ክፈትሖ ስለዘይክእል፡ ቅድምን ድሕርን ምርጫ፡ ዘተን ልዝብን ምምኽኻርን ኣገዳሲ ምዃኑ የረድእ። ዶ\/ር በሪሁ፡ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመት ተቓወምቲ ፓርቲታት ንዘረራብ ክብሉ ምጽንሖም ብምግላጽ ሕጂ እውን ግዜ ከምዘሎን፡ ቅድምን ድሕርን ምርጫ ዘተ ከምዘድልን መንግስቲ ዝከኣሎ ክገብርን ከምዝግባእን ኣተሓሳሲቡ። ቅድሚ ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ መንግስቲ ነቲ ሽግር እንተዘይፈቲሑዎ ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ምርጫ ዕግርግር ከምዘይስዕብ መረጋገጺ የሎን ክብል የጠንቅቕ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56235514"} {"headline":"ክራይስስ ግሩፕ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ቶኵሲ ደው ንክብል ጸቅጢ ክግበር ተማሕጺኑ","content":"እቲ ኣብ መንጎ ፌደራላዊ መንግስትን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ደው ክብል እንተዘይክኢሉ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ መዕኖ ዝኾነ ሳዕቤን ክህልዎ ከም ዝኽእል ክራይስስ ግሩፕ ኣጠንቂቑ። እዚ ዓለምለኻዊ ትካል ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንዕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ከም ዘመሓለለፈ ጠቂሱ ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ 4 ሕዳር 2020 ኣብ ሃገራዊ መደብር ዜና ቀሪቡ፡ እቲ ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከር ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ብምባል፡ ንሰራዊት ፈዴራል ኣድላዩ ዘበለ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስዱ ከም ዝኣዘዞም ዝዝከር እዩ። ክራይስስ ግሩፕ ፍሉጣትን ተሰማዕትን ኢትዮዮጵያውያን፣ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ዓለምለኻውያን መሻርኽቲ ኢትዮጵያን ብቅልጡፍ ኣብ ሞንጎ እዞም ክልተ ሓይልታት ቶኹሲ ደው ናብ ምባል ንክመጽኡ ክጽዕሩን ክልቲኦም ሓይልታት ኣፈላላዮም ብዘተ ንክፈትሑ ክሰርሑን ተማሕጺኑ ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሚያዝያ 2018 ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ ኣብ ሞንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝነበረ ወጥሪ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓረገ ምምጽኡን፡ እቲ ኣብ ካልእ ከባቢታት እታ ሃገር’ውን ክረአ ዝጸንሐን ዝረአ ዘሎን ግጭታት ሓድነት እታ ሃገር ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ከየውድቖ ዘስግእ ምዃኑ መግለጺ ክራይስስ ግሩፕ ይሕብር። እቲ ኣብ ሞንጎ ብቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስትን ህወሓትን ተፈጢሩ ዘሎ ኵናት፡ ጸላኢ ህወሓት ዝኾነ ግን ድማ ምስ ኣብዪ ኣሕመድ ጥቡቕ ርክብ ዘለዎ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ውን ኢዱ ከይሕውሰሉ ስግኣት ከም ዘሎ ክራይስስ ግሩፕ ጠቂሱ። ህወሓት ንልፍንታዊ ግንባር ኢህወደግ ኣብ ዘማእዝነሉ ዝነበረ ግዜ፡ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ኣብ ሞንጎ ኢትዩጵያን ኤርትራን ደማዊ ኵናት ተካይዱ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ክልል ትግራይ፡ ብኣስታት ሽዱሽተ ሚልዮን ህዝቢ ምሉእ ደገፍ ዘለዎ ክሳብ ርብዒ ሚልዮን ዝኸውን ሰራዊት (ፍሉይ ሓይልን ምልሻን) ከም ዘለዋ ዝገልጽ መግልጺ ክራይስስ ግሩፕ፡ እዚ ሕጂ ተጀሚሩ ዘሎ ውግእ ብኣግኡ ሰላማዊ መዕለቢ እንተዘይተገይርሉ ግዜ ዝወስድን ደማውን ክኽውን ከም ዝኽእል ይጠቅስ። ቅድም ኢሉ፡ ሃገራዊ መረጻ ብምድንጓዩን ብምንውሑን ብወገን መንግስቲ ክልል ትግራይ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይጠሓስ ኣሎ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ወገናት ፍልልያት ጸኒሑ እዩ። መንግስቲ ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ መረጻ ንክናዋሕ ኮሮናቫይረስ ምኽንያት ክኸውን ኣይክእልን እዩ ብምባል 9 መስከረም 2020 ክልላዊ መረጻ ምክያዱ’ውን ይዝከር። ክራይስስ ግሩፕ እቲ ሕጂ ተጀሚሩ ዘሎ ኵናት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ሰፍ ዘይብል ዕንወት ከኸትል ከም ዝኽእል ብምጥቃስ ክልቲኦም ሓይልታት ግዜ ከይወሰዱ ተጻብኦታት ደው ከብሉ ጸዊዑ። ኣብታ ካብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝቢ ኣብ ካልኣይ ደረጃ እትስራዕ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፡ ነቲ ኵናት ኤርትራ እንተተሓዊሳቶ ሱዳን’ውን ንመቀለ ወይ ንኣዲስ ኣበባ ኣብ ምሕጋዝ ክትገማማዕ ከም እትኽል ይሕብር። በዚ ምኽንያት ኣብዚ ዞባ ብዝሒ ዘለዎም ሰላማውያን ሰባት ንስደት ክቃልዑ ከም ዝኽሉን፡ እታ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ኣልሸባብ ብዙሓት ሰራዊት ኣዋፊራ ትርከብ ኢትዮጵያ ሚዛን ሓይላ ናብ ሰሜን ከተብሎ ስለእትኽእል ኣልሸባብ ድላዩ ንኽገብር ጥጡሕ ባይታ ክፈጥረሉ ከም ዝኽእል ክራይስስ ግሩፕ ስግኣቱ ኣስፊሩ ኣሎ። ስለዝኾነ ድማ፡ ዲፕሎማስኛታት፣ መራሕቲ ሰራዊት ነበር፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣውሮጳዊ ሕብትን ሕቡራት ሃገራትን ነዚ ኣንጠጥዩ ዘሎ ከቢድ ጸገማት ብኣግኡ ንምፍታሕ ኣብ ሞንጎ እዞም ክልተ ሓይልታት ቶኵሱ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ንክኽተም ክጽዕሩን ናብ ዘተ ንኽኣትዉ ክደፍኡዎምን ተማሕጺኑ። እቲ መግልጺ ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ሃገራዊ ዘተ እቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ፖለቲከኛታት’ውን ክሳተፉ ከም ዘለዎምን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዓሌታዊ ምቅትታል ጠንቁ ክፍታሕን ተማሕጺኑ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54837600"} {"headline":"ኢትዮ-ኤርትራ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ","content":"ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብዝገበረሉ ዕድመ ሎሚ ንጉሆ ንኢትዮጵያ ኣትዩ። ቀዳማይ ምኒስተር ኣብዩ ኣብ ክልል ኦሮምያ ከተማ ጂማ ኣቀባብላ ገይርሉ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዩኒቨርስቲ ጂማ ንዝካየዱ ዘለዉ ምርምራትን ካልእ ንጥፈታትን ከምዝተዓዘበ ሃገራዊ ማዕከን ኣገልግሎት ዜና - ኢቢሲ ጸብጺቡ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝጸንሕ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተሩ ሓቢሩ። ምስቲ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተመርሐ ልኡኽ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ከምኡ'ውን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ ኣለው። ቀዳማይ ሚንስተር ኣብዪን ፕረዚደንት ኢሳይያስን ኣብ ርክብ ክልትኤን ሃገራትን ምጥንኻር ምትሕብባር ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘድሃበ ዘተ ከምዝገብሩ ተገሊጹ። እቲ ፕረዚደንት ናብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ጂማ ከምዝኣተወን ብቀዳማይ ሚንስተር ኣብዪ ኣቀባብላ ከምዝተገበረሉን ሃገራዊ ማዕኸን ዜና - ኢቢሲ - ጸብጺባ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጂማ ተረኺቡ'ውን ዝካየዱ ዘለዉ ምርምራትን ካልኦት ንጥፈታትን ርእዩ። ቅድም ክብል ዝተገበረ ርክባት ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ኤርትራ ተራኺቦም ነይሮም። ሽዑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢዪ ኣሕመድ ናብ ኤርትራ ገይሹ ኣብ ዲጋ ገርገራን ሳዋን ካልእ ቦታታትን በጺሑ ነይሩ። ኣብ ሳዋ ከኣ ብወተሃደራዊ ሰልፊ ኣቀባብላ ተገይርሉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓለን ክልተ መዓልታት፡ ናብ ዝተፈለየ ቦታታት ኤርትራ’ውን ተዛዊሩ ነይሩ። ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ ዝርከብ ዲጋ ገርገራ ብምዝውዋር፡ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ተሰንዩ ኣብቲ ከባቢ ዝግብር ዘሎ ትሕተ ቅርጻውን መስንኦዊ ልምዓታትን ከምዝተዓዘበ ተለቪዥን እታ ሃገር ጸብጺባ ነይራ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ኣብ ዝርከብ ሕርሻዊ ልምዓታትን ዲጋ ከርከበትን ምብጻሕ ኣካይዱ። ቅድሚኡ ድማ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ናብ ኢትዮጵያ ገይሹ ንኽልተ መዓልታት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ከምዝተራኸበ ይዝከር። ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ካብን ናብን ኣስመራ ኣዲስ ኣበባ እናተመላለሱ ይራኸቡን ዝተፈላለየ ስምምዓትን ይፈራረሙ እዮም። እንተኾነ፡ መገሻታቶም'ውን \"ክልተኣዊ ዘተ ንምግባር\" ካብ ዝብል ሓጺር መግለጺ ሓሊፉ፡ እቲ ዝግበር ስምምዕ ብዝርዝር ስለዘይግለጽ ዜጋታት ስክፍተኦም ክገልጹ ጸኒሖም ኣለው። ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍጻሙ፤ ኣብ 2018 ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ተኸፊቱ ዜጋታት ካብን ናብን ብፍኑው ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም እኳ እንተነበሩ ነዊሕ ከይጸንሐ ዶባት ስለዝተዓጽወ፡ ካብን ናብን ንቡር ምንቅስቓስ የሎን።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54505754"} {"headline":"ማእሰርቲ ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) ብውላዱ እንክዝንቶ","content":"ሰንበት 20 መስከረም2020 ኣብ ሚላኖ ዝምቕማጦም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንዝሓለፉ ን19 ዓመታት ብዘይ ንቡር መስርሕ ቤት ፍርዲ ተኣሲሮም ንዝተሰወሩ ብጉጅለ- 15 ዝፍለጡ መራሕቲ ሃገር፣ መንግስትን ነበር ገዳይም ተጋደልትን፡ ከምኡ እውን ጋዜጣኛታትን ዘኪሮምዎም። ኣብቲ መድኽ ዘተረኸበ ገዲም ተጋዳላይ ሃብተማርያም ዑቕባይ ሕቶን ርእይቶን እቶም ኣብ ቃልሲ ሓርነት ልዑል ተራ ዝነበሮምን ንእስነቶም ኣብ ከቢድ ናይ ቃልሲ መድረኽ ዘሕለፉን ሰባት፡ ድሕሪ ኩናት ዶባት ኢትዮ-ኤርትራ፡ \"ገምጋም ኲናት ይገበር፣ ብሰንኪ ኩናት ተወንዚፉ ዝጸንሐ መስርሕ ደሞክራሲያዊ ስግግር ስልጣን ይጀመር፣ ብሃገራዊ ባይቶ ዝጸደቐ ቅዋም ይተግበር\" ስለ ዝበሉ'ዩ ኢሉ። ወሲኹ፡ \"ምስ ርእቶተኦም ዘይተሰማምዐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ግን ብፖለቲካዊ ክሲ፣ ብተንበርካኽነትን ሃገራዊ ድሕነትን ወንጂሉ ብዘይ ንቡር መስርሕ ፍርዲ ን19 ዓመታት ቀይዱዎም ኣሎ\" ኢሉ። ዕዱም ናይ ክብሪ ጋሻ ሕሳስ ልደ ወዲ ሚኒስተር ፋይናንስ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዳሕራይ ከኣ ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትርን ገዲም ተጋዳሊ ሃይለ ወልደንስአ መንእሰይ መሓሪ ሃይለ ብዛዕባ እታ ወላዲኡ ዝተኣስረላ 18 መስከረም 2001 ኣብ ቤቶም ዝነበረ ሃዋህው ኣልዒሉ። \"ቅድሚ 19 ዓመታት ኣስታት ሰዓት ሓሙሽተ ወጋሕታ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ድሕነት ዝተላእኩ ናይ ስቪል ክዳን ዝተኸድኑ ኣባላት ጸጥታ መንደቕ ዘሊሎም ብምእታው፡ ንማዕጾ ገዛና ብሓይሊ ኳሕኲሖም ብምእታው ንስድራና ባህዲሎም ነቦይ ሒዞምዎ ከይዶም\" ኢሉ። መሓሪ፡ እተን ምስ ወላዲኡ ዝነበሮ ሒደት ዝኽሪ ቑልዕነቱ እውን ኣካፊሉ። ብዙሕ ግዜ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ኮምፒሽታቶ ሒዙዎም ክዛወር፣ ናብ ኣዝማዶም መቕርብን ሓቢሮም ክበጽሑ፣ ብዙሕ ግዜ ነቲ ኣብ ማእሰርቲ ሰምበል ብማህረምቲ ዝሰምበረ እንግድዕኡ እናረኣዩ \"እንታይ ኬንኳ\" ኢሎም ይሓትዎ ስለ ዝነበሩ፡ ሓደ መዓልቲ ናብታ ብገዛእቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ተኣሲሩ፡ ከቢድ ግፍዒ ዝረኸበላ ቤት ማእሰርቲ ሰምበል ወሲዱ እንታይ ዓይነት ቃልሲ ከም ዝሓለፈ ከም ዘዘንተወሎም ይነግር። ድሩዕ ፍርሕን ሓሶትን ዝጽየን ፈቃር ግን ከኣ ተሪር ምንባሩ፡ ማእሰርቲ ኣቡኡ ምስ ነውሐ ከኣ ንወላዲቱ፡ \" ነቦይ እምበር ናፊቐዮ፡ ምስሉ እኳ ክጠፍኣኒ ደልዩ\" ምስ በላ፡ ወላዲቱ ኣብ ሳሎን ናብ ዝነበረ ስእሊ ኣቡኡ ወሲዳ እነሆ እንዶ ስእሉ ኣጆኻ ክመጽእ እዩ ኢላ ከምዘ ተባበዐቶ ይዛረብ። እንተኾነ ንሱ፡ \"ድምጹ'ኸ? ክዛረብ እንከሎ ክሰምዖ እንድየ ደልየ\" ምስ በላ ብውሽጣ ኣዝያ ከም ዝጎሃየት ዳሕራይ ምስ ጎበዘ ከም ዘዕለለቶ የዘንቱ። መንግስቲ፡ ነታ ድሩዕ ንህዝቢ ኤርትራ ንምምጓስ \"እቲ ኲናት ሳላኹም ኢና ወጺእናዮ፣ ወራር ወያነ መኪትናዮ፤ እምበር ከም መንግስቲ ተጠላቒና ኢና ነይርና\" ካብ ዝበላ ምልእቲ ሓሳብ ነታ \"ተጠላቒና!\" እትብል ቃል መዝሒቖም ኣብ ተሌቪዥን ኤርትራ ደጋጊሞም የቕርቡዋ ስለ ዝነበሩ፡ ስድራ ድሩዕ ብደብዳብ ፕሮፖጋንዳ ተናዊጾም ምንባሮም ይገልጽ። ድሕሪ ማእሰርቲ ድሩዕ ኣብቲ ገዛ ኣተውትን ወጻእትን ዝነበሩ ብዙሓት ኣዕሩኽን መሓዙትን ብፍርሒ እግሮም ብምስሓቦም ከኣ ጽምዋን ተነጽሎን ከም ዝነበሮም፡ እንተኾነ ወላዲቱ ንቦታ ሰብኣያ ተኪኣ፡ ክንዲ ኣቦን ኣደን ኬይና ርእሳ ከየድነነት፡ ፋሕተርተር እናበለት ንደቃ በታ ዝለመዱዋ ከም ዘዕበየቶም ይዛረብ። እንተኾነ፡ በኹሪ ሓዎም ፈንቅል ብስግረ ዶብ ካብ ዓዲ ምስ ወጽአ፡ ንሳ ንኣዋርሕ ምስተኣስረት ከቢድ ጽምዋን ስነ-አእምሮኣዊ ጸቕጥን ከምዘጋጠሞምን ይሕብር። ንድሩዕ ኣብ ከተማን ቃልስን ካብ ዝፈልጦ ተጣባቒ ሰብአዊ መሰላት ደስበለ መሓሪ፡ \"ድሩዕ፡ ምእንቲ ናጽነትን ክብረትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ንእስነቱ ኣብ ማእሰርእትን በረኻን አሕሊፉዎ ከብቅዕ፡ ድሕሪ ናጽነት ከኣ ንግዝኣተ ሕግን ልዕልነትን፡ ንክብርን ሓርነትን ህዝቢ ዳግማይ መስዋእቲ ዝኸፈለ ጅግና እዩ\" ክብል ርእይትኡ ሂቡ። መሓሪ ይቕጽል፡ \"ከም ልምዲ ክንድቅስ እንከለና ንወለድና ስዒምና፡ ደሓር ሕደሩ ኢልናዮም ኢና ናብ መደቂስና ንኸይድ ነይርና። ድሮ እታ ዝተኣስሩላ መዓልቲ ግን ኣቦይ ሰዓል ሒዙዎ ስለዝነበረ ደሓን ኣብኡ እንከለኹም ቻው ኢሉና፡ ነናብ መዳቕሶና ኬድና። ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ንግሆ ማዕጾ ገዛና ብኸቢድ ይኹሕኳሕ'ሞ ኣደይ ክትከፍቶም ትኸይድ። ኣነ እውን ደድሕሪኣ ይስዕብ፡ ሽዑ፡ \"ቀስ እባ በሉ\" እናበለት ምስ ከፈተቶም \"ኣበይ ኣሎ ድሩዕ፡ ኣበይ ኣሎ\" ኢሎም ደፋፊኦምና ንውሽጡ ኣትዮም\" ይብል። ግን ድማ ድሩዕ ተረዲኡዎ ስለ ዝነበረ ተኸዳዲኑ ተቐሪቡ እዩ ጸኒሑ። መንነቶም ሓቲቱዎም ካብ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ድሕነት ኣብርሃ ካሳ ዝተላእኩ ምዃኖም ይሕብሩዎ'ሞ እተን ናይ ዲያቤቲክ መድሃኒት ዝሕዘላ ንእሽቶ ቦርሳ ሒዙ ከም ዝወጽአን ኣብ መኪና ኣእትዮም ፌሮ ከም ዝገበሩሉን ይትርኽ። እቲ ሽዑ ዝተፈጥረ ዕግርግርን ረበሻን ግን ነቲ ስድራ-ቤት ከምዝረበሾን ክሳብ ሕጂ ከም ስእሊ ከምዝረኣዮን ይዛረብ መሓሪ። ድሩዕ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ዝተሰመዖ ነገር እቶም ናእሽቱ ደቁ ነቲ ምክልባት ምርኣዮም እዩ። ስለዝኾነ ከኣ \"በጃኹም ነዞም ቖልዑት እለዩዎም\" ይብል ከም ዝነበረ ይዝክር። ገይሻ መጺኣ፡ ኣብ ገዝኦም ዝጸንሐት ዘመድ፡ \"ስለምንታይ ትኣስሩዎ ኢላ ዓው ዓው ምስበለት፡ ሓደ ካብኣቶም ከምዝጸፍዓን ግን ንሳ ደፊራን ተቢዓን፡ \"ኣጆኻ ድሩዕ ኣብ ጎድንኻ ኢና ዘሎና\" ከም ዝበለቶ'ውን ዝኽሩ'ዩ። ድሕሪ ማእሰርቱ ከኣ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ንገዛ መጺኡ፡ ቅያር ክዳን ፒጃማን ሸበጥን መድሃኒትን ሒዙሉ ከምዝኸደ፡ እንተኾነ፡ ዳሕራይ ተመሊሱ፡ እቲ ክዳን ኣይተፈቕደን ኢሉ ከም ዝመለሶ ይዛረብ። ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዝነበረ ሓው፡ ፈንቅል ሃይለ፡ ምስቶም ሕቶ ዘልዓሉ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣብ ገልዓሎ ተኣሲሩ ስለዝነበረ ወላዲኡ እንታይ ከምዘጋጠሞ ዳሕራይ እዩ ሰሚዑ። መሓሪ ወዲ 15 ዓመት ምስ ኮነ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ፡ ወላዲኡን ብጾቱን ዝተኣስሩሉ ምኽንያት ኣንቢቡ ከም ዝተረደአን፡ ኣቡኡን እቶም ሓቢሮሞን ዝተኣስሩ ሰበስልጣንን 'ዝሓለፈ ጉዕዞና ገምጊምና ኣካይዳና ነዐሪ፡ ሃገር ብሕግን ቅዋምን ትመሓደር፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ይሃሉ' ስለዝበሉ ከምእተኣስሩ፡ እቶም ጋዜጠኛታት ከኣ ርእይቶን ሓሳባትን እቶም ለውጥን ምምሕያሽን ዝሓተቱ ሰባት ኣብ ዓምዲ ጋዜጣታቶም ስለዘስፈሩ ከምዝተቐየዱ ምስፈለጠ፡ \" እንቋዕ እባ ኣቦይ ከምቶም ዘጽቀጡ ኣየጽቀጡ\" ከም ዝበለ ይዛረብ። ኣማኒኤል ጠዓመ ካብ ለንደን፡ \"ንጉጅለ 15ን ሓቢሮሞም ንዝተኣስሩ ካድራትን ጋዜጠኛታትን ኣብ እዋኑን ሰዓቱን ድምጺ ስለዘይኮንናዮም ኩሉ ሳዕ ይስመዓኒ እዩ። ሽዑ ህዝቢ እንታይ እዩ ዝግበር ዘሎ፡ ስለምንታይ ናብ ቤት ፍርዲ ዘይቀርቡ እንተዝብል፡ ብሓባር እቲ ዝኸውን ምተራእየ። ከምኡ ስለዘይገበርና ግን ብውልቀይ በዚ ኣጋጣሚ ይቕሬታ እሓትት\" ብምባል፡ ንመሓሪ፡ በቲ ዝሓለፎ ከቢድ በሰላ ከይተጎናደበ ኣብ ትምህርቱን ህይወቱን ክነፍዕን ክብርትዕን ኣተባቢዑ። ብዙሓት ካልኦት ተሳተፍቲ እቲ ዝኽሪ እውን ተመሳሳሊ ርእይቶን ውልቃዊ ጦብላሕታን ኣቕሪቦም። ኣብዚ ቕንያት'ዚ፡ ብዙሓት ኣብ ግዳም ዝነብሩ ደቂ እቶም ኣብ ዒላዒሮ ተቐይዶም ከምዘለው ዝንገር፡ ግን ከኣ ካብ ዝእሰሩ ደሃዮም ዘይተሰምዐ፡ ሃለዋቶም ዘይፍልጥ ሰበስልጣን መንግስትን ጋዜጠኛታትን ነበር፡ ኣብ ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሓን ማሕበራዊ ሚድያታት ተዘክሮታቶም ይገልጹ ኣለው። ካብ ማእሰርቲ ዘምለጡ ጋዜጠኛታትን ፈለጥትን መቓልስትን እቶም ብዘይ ንቡር መስርሕ ቤት ፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለውን ከኣ ብቃለ መሕትት፡ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ሃዋህውን እቲ ናብኡ ዘብጽሐ ፖለቲካዊ ወጥርን ምስክርነት ክህቡሎም ቀንዮም ኣለው። ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ልደታ፡ ጋዜጠኛ ወላዲኣ ዝተኣስራ መንእሰይ ኣርያም ዳዊት እውን ድሕሪ ማእሰርቲ ኣቡኣ፡ ወላዲታ ንዘሕለፈቶ ከቢድ ብደሆን ኣብ ጉዕዞ ስደት ሰሃራን ባሕርን፡ ገና ቖልዓ እንከላ ምስ ወላዲታ ኣብ በረኻታት ሊብያ ብነጋዶ ደቂ ሰባት ተጨውየን ንዘሕለፈኦ መከራን ስቓይን፡ ነቲ ኩነታት ተለማሚዳ ንወላዲታ ንምትብባዕ ሕጉስቲ መሲላ ትቐርባን ከምዝነበረት ኣዘንትያ ኣላ። ሓያሎ አሕዋትን ደቅን እቶም ኣብ ዒላዒሮ ተኣሲሮም ዘለው ከኣ ብተመሳሳሊ መገዲ ዝኽሮም ኣካፊሎም ኣለው።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/54245589"} {"headline":"ምኽንያት ጎንጺ ኣርመንያን-ኣዘርባጃንን እንታይ'ዩ?","content":"ግዝኣታት ሕብረት ሶቭየት ኣብ ዝነበራ ሃገራት ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ኣብ ዞባ ካውካሱስ ዳግማይ ግጭት ተወሊዑ። እዚ ኣብ ዞባ ናጎርኖ-ካራባካህ ኣጋጢሙ ዘሎ ዓሰርተ ዓመታት ዝገበረ ጎንጺ፡ ኣካል ኣዛርበጃን ምዃኑ እዩ እኳ እንተተባህለ ኣርመናውያን እዮም ተቖጻጺሮሞ ዘለው። እዘን ሃገራት ኣብ 80ታትን ተስዓታትን ከቢድ ደማዊ ኩናት ኣካይደን እየን። ዋላኳ ዳሕራይ ናይ ተኹሲ ምቁራጽ ስምምዕ እንተገበራ ስምምዕ ሰላም ግን ክፍጽማ ኣይከኣላን። ዞባ ናጎርኖ-ካራባካህ ናይ ኣዘርባጃን እዩ ዝብል ጠለብ ኢልናኩም። ግን ድማ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝነብር ህዝቢ እቶም ዝበዝሑ ኣርመናውያን እዮም። ኣብ 1980ታት ሕብረት ሶቭየት ክትፈርስ አንከላ፡ ዞባ ናጎርኖ-ካራባካህ ናብ ኣርመኒያ ክትጥቕለል መሪጻ። እዚ ኣብ 1994 ዓ.ም ተኩሲ ጠጠው ምባሉ ዝተኣወጀሉ ኲናት ክልቲአን ሃገራት ዘልዓለ እዩ። ካብ ሽዑ ንነጀው፡ ዞባ ናጎርኖ-ካራባካህ ግዝኣት ኣርባጃን ኮይና ተሪፋ፤ ግን ድማ ብመንግስቲ ኣርመኒያ ዝሕገዙ ኣርመናውያን ዝተቖጻጸሩዋ እያ። ኣርመኒያ፡ ብኣብዝሓ ክርስቲያን ሕብረተሰብ ዘለዋ ዓዲ እስላምን ክርስቲያንን ኮይና፡ ብነዳዲ ሃፍታም እያ። ቱርኪ ምስ ኣዘርባጃን ጥቡቕ ዝምድና ክህልዋ እንከሎ፡ ሩሲያ ናብ ኣርመኒያ'ኳ እንተኣዘንበለት ምስ ኣዘርባጃን'ውን ጽቡቕ ርክብ ኣለዋ። ዞባ ናጎርኖ-ካራባካህ እትርከበሉ ኮከሰስ፡ ብጎቦታት ዝተኸበበት ስትራቴጂካዊት ዞባ ደቡብ ምብራቕ ኤውሮጳ እያ። ንዘመናት ድማ ህልኽ ናይ ክርስቲያንን እስላምን ሓይሊታት ክርኣየሉ ዝጸንሐ እዩ። ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ኣርመኒያን ኣዘርባጃንን ተባሂለን ዝጽውዓ ሃገራት፡ ሕብረት ሶቭየት ብ1920ታት ክትምስረት እንከላ ኣካል እቲ ሕብረት ነይረን። ዞባ ናጎርኖ-ካራባካህ ድማ ብኣብዝሓ ንኣርመኒያ ዝብጽሓ ዞባ ኮይኑ፡ ሶቭየት ሰበ ስልጣን ኣዘርባጃን ነቲ ከባቢ ክቆጻጸሩዎ ስልጣን ሂባቶም ትጸንሕ። እቶም ኣብ ዞባ ናጎርኖ-ካራባካህ ዝነብሩ ኣርመኒያውያን ንዓሰርታት ዓመታት ሕጋዊ ምሕደራ እቲ ዞባ ናብ ትሕዝቶኦም ክሰጋገር ክሓቱ ጸኒሖም። ሕብረት ሶቭየት ኣብ መወዳእታ 1980ታት ክትፈራርስ ክትጅምር ከላ ግን፡ ባይቶ ዞባ ናጎርኖ-ካራባካህ ኣካል ኣርመኒያ ኮይና ክትቕጽል ድምጹ ሂቡ። ኣዘርባጃን ነዚ ኣይተቐበለቶን፤ በዚ ምኽንያት ኣብቲ ከባቢ ንዘሎ ምንቅስቓስ ክትዕፍኖ እንከላ ኣርመኒያ ትድግፎ። እዚ ክልቲአን ሃገራት ናብ ዓሌታዊ ግጭት ከምርሓ ገይሩ። ክልቲአን ሙሉእ ንሙሉእ ካብ ሩሲያ ናጻ ክወጽኣ ከለዋ ናብ ዕሉል ኲናት ኣትየን። በዚ ምኽንያት ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም። ኣስታት ሓደ ሚሊየን ሰባት ድማ ተመዛቢሎም፤ ብኽልቲኡ ወገን'ውን ምጽናት ዓሌትን ጨፍጫፍን ተፈጺሙ። ብ1994፡ ብሸምጋልነት ሩሲያ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ተኩሲ ጠጠው ከም ዝበለ ቅድሚ ምእዋጁ ሓይልታት ኣርመኒያ ንዞባ ናጎርኖ-ካራባካህ ተቖጻጺሮምዋ። ድሕሪ እቲ ውዕሊ ግን ዞባ ናጎርኖ-ካራባካህ ኣብ ትሕቲ ኣዘርባጃን እያ ቐጺላ። እንተኾነ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ብተገንጸልቲ ሓይልታት ክትምራሕ ጸኒሓ፡ ዓርሳ ሪፐብሊክ ኢላ ዝኣወጀት ኮይና መንግስቲ ኣርመኒያ ብዝድግፎም ዓሌት ኣርመኒያ እያ ትመሓደር። ኣብ ሞንጎ'ውን ሓይልታት ኣርመኒያን ኣዘርባጃንን ዝፈሊ መስመር'ውን ሓንጺጻ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ብ1992 ፈረንሳ፣ ሩሲያን ኣመሪካን ብዝወደብኦ ትካል ድሕነትን ምትሕብባርን ኣብ ኤውሮጳ ዝመርሖ ዘተ ሰላም ክካየድ ጸኒሑ እዩ። እንተኾነ ውዕሊ ሰላም ፈሪመን ኣይፈልጣን። ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ዘይሃድአ ግጭት ክቕጽል እንከሎ፡ ኣብ 2016 ብኽልቲኡ ወገን ብርክት ዝበሉ ወተሃደራት ዝሞቱሉ ጎንጺ ተላዒሉ ነይሩ። ግጭት እዘን ሃገራት ብጂኦፖለቲካዊ ድልየታት'ውን ዝተሓላለኸ እዩ። ኣባል ኔቶ ዝኾነት ቱርኪ ብ1991 ናጽነት ኣዘርባጃን ዝተቐበለት ፈላመይቲ ሃገር እያ። ፕሬዝደንት ኣዘርባጃን ዝነበረ ሃይደር ኣሊቭ ነዘን ክልተ ሃገራት \"ክልተ ግዝኣት ዘለዋ ሓንቲ ሃገር\" ክብል ገሊጹወን እዩ። ክልቲአን ባህልን ህዝብን ቱርኪ ዝወርሳ ኮይነን፡ ፕሬዝደንት ቱርኪ ረሲጵ ጣይፕ ኤርዶጋን ደገፉ ንኣዘርባጃን ከም ዝኾነ እዩ ዝገልጽ። ብተወሳኺ፡ ቱርኪ ምስ ኣርመኒያ ዝኾነ ዓይነት ወግዓዊ ርክብ የብላን። ኣርመኒያ ብምኽንያት ዞባ ናጎርኖ-ካራባካህ ናብ ግጭት ክትኣቱ ከላ፡ ንኣዘርባጃን ዘለዋ ደገፍ ብምግላጽ ቱርኪ ምስ ኣርመኒኣ ዘራኽባ ዶብ ብ1993 ዓጺያቶ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣርመኒያ ምስ ሩሲያ ጽቡቕ ዝምድና ኣለዋ። ሩሲያ'ውን ኣብታ ሃገር ወተሃደራዊ መዓስከር ኣለዋ። ክልቲአን ድማ ኣባላት ወተሃደራዊ ልፍንቲ ትካል ሓበራዊ ስምምዕ ድሕነት እየን። ፕሬዝደንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ከኣ ምስ ኣዘርባጃን ጽቡቕ ርክብ እዩ ዘለዎ። ስለዚ ድማ፡ ተኩሲ ደው ከብላ ሩሲያ ጸዊዓ ኣላ። ብ2018፡ ኣርመኒያ ሰላማዊ ሰውራ ብምክያድ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሴርዝ ሳርጊሳን ካብ ስልጣን ኣልያ እያ። ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ድማ መራሒ እቲ ተቓውሞ ዝነበረ ኒኮል ፓሺኒያን ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኑ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ወጥሪ ንክሃድእን ናይ መጀመርታ ቀንዲ ማእከል ወተሃደራዊ ስሕበት ከቑሙን ምስ ፕሬዝደንት ኣዘርባጃን ኢልሃም ኣሊቭ ተሰማሚዑ ነይሩ። ብ2019 ድማ ክልቲአን ሃገራት እቲ ህዝቢ ንሰላም ድልዊ ክኸውን ዝገብሮ ስጉምታት ክንወስድ ኢና ዝብል መግለጺ ኣውጺኦም። ድሕሪኡ ግን ዋላ ሓደ ናብ ባይታ ዝወረደ ቃል የለን። እዚ ሓድሽ ግጭት በየናይ ወገን ከም ዝጀመረ ኣይፍለጥን። ግን ድማ እቲ ወጥሪ ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ምዃኑ ይእመን።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54331449"} {"headline":"ዕርቂ እንደርታ: ብሉፅ ሃገር በቆል ስርዓት ዕርቂ ኮይኑ ተሓርዩ","content":"ዕርቂ እንደርታ፡ ኮምሽን ዕርቀ ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳለዎ ውድድር፡ ብሉፅ ሃገር በቆል ስርዓት ዕርቂ ኮይኑ ተሓርዩ፡፡ እቲ ኮምሽን ብደረጃ ሃገር ኣብ ዘካየዶ ውድድር 1,166 መናእሰይ ቀሪቦም ነይሮም። ካብዚኦም 360 መናእሰይ ተፃርዮም ናብ ካልኣይ ዙር ሓሊፎም። እቲ ውድድር ብውልቀን ብጉጅለን እዩ ተኻይዱ። ካብቶም ካብ ትግራይ ዝቐረቡ ሽዱሽተ ተወዳደርቲ: ዕርቂ እንደርታ ሒዙ ብውልቅኡ ዝቐረበ መለስ ሰለሞን ተዓዊቱ። ብደረጃ ሃገር ድማ: ካብተን ዝተሓረያን ኣፍልጦን ዝረኻባን 25 ስርዓታት ዕርቂ: ዕርቂ እንደርታ ተመሪፃ። ብተወሳኺ ካብተን ዝበለፃ ተባሂለን ናብ ዘተ ክቐርባ ዝተሓረያ 5 ብሉፃት ስርዓታት ዕርቂ: ዕርቂ እንደርታ ብቐዳምነት ከምዝተመረፀት መለስ ሰለሞን ገሊፁ። \"ዕርቂ እንደርታ ሓደ ካብቶም ሃገር በቆል ስርዓታት ዕርቂ ኮይኑ: እሞ ድማ ዘላቒ ፍታሕ: ሰላም: ምትሕብባርን ሓድነትን ከምፅእ ዝኽእል ስርዓታት ከምዝኾነ ተኣሚንሉ: ማሕበር ልምዓት እንደርታ ምስ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ክሰርሐሉ ፀኒሑ እዩ\" ይብል። ዕርቂ እንደርታ ካልኦት ብሄርን ብሄረሰባትን ኢትዮጵያ ክፈልጥዎ ብምግባር ከም ትግራይ ዓብዪ ሽልማት ከምዝተረኸበ መለስ ይገልፅ። ዕርቂ እንደርታ: ኣብ መንጎ ትግራይን ዓፋርን ኣጋጢሙ ንዝነበረ 'ወራር ጋዝ' ብዝብል ዝፍለጥ ልማዳዊ ወራር ኣብ ምእላይ: መራሒ ቀዳማይ ወያነ ትግራይ ዝነበሩ ብላታ ሃይለማርያም ረዳ ዝተጠቐምሉ ብሉፅ መፍትሒ ጎንፂ ከምዝኾነ ኣብ ታሪክ ይዝከር። \"ኣብቲ ብልሙድ 'ወራር ጋዝ' እናተባሃለ ዝፅዋዕ ጎንፂ: ምስ ዓፋር ኣብ ዝዋሰን ደጉዓ ትግራይ ዝርከቡ ሰባት ናብ ዓፋር ብምኻድ ሓደጋ የውርዱ: ካልእ እዋን ድማ ብተመሳሳሊ ዓፋር ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ሕነ ይፈድዩ:: ብኸምዚ ህዝቢ ንህዝቢ ዝጎዳደአሉ ግጉይ ልማዳዊ ጎንፂ እዩ ነይሩ። ኮይኑ ግና ብሳላ ዕርቂ እንደርታ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ከምዘይፍፀም ክሃድእ ከምዝኻኣለ ድርሳነ ታሪኽ ይሕብሩ\" ብምባል መለስ ኣብ መጽናዕቱ ይገልፅ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54359208"} {"headline":"ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ መዓስ'ዩ ኣኼብኡ ዘካይድ?","content":"ካቢኔ ሚኒስተራት ኤርትራ ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ፡ ብ28 መስከረም 2018 ምስተጋብአ ክሳብ ሕጂ ደጊሙ ኣይተኣከበን። ዜጋታት፡ ስለምንታይ እዩ ክሳብ ሕጂ ካቢነ ዘይተኣከበ? እንታይ ሓዲሽ ነገር ዝተረኽበ ኣሎ? እታ ሃገር ደኣ ብኸመይ እያ ትመሓደር ዘላ? ዝብል ሕቶ የልዕሉ እዮም። ንፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ብቐረባ ዝከታተል መምህር ጸጋይ ገብረሂወት፡ \"ኣብዚ፡ ብዙሕ ምምኽኻርን ስራሕን ዘድልዮ ታሪኻዊ መድረኽ መስርሕ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ፡ ከም ግቡእ እቲ ንዓመታት ዝደስከለ ሓጋጊ ኣካል ሃገራዊ ባይቶ ተሓዲሱ ክእከብ ነይሩዎ\" ይብል። \"ከምኡ ካብ ዘይተገብረ ከኣ ፈጻሚ ኣካል ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ስሩዕ ኣኼባታት ከካይድ ነይሩዎ። ከምኡ ስለዘይንርኢ ዘለና ግን \"እዛ ሃገር ብኸመይ ትመሓደርን ናበይ ገጻ ትኸይድን ከምዘላ ሻቕሎት ኣሎና\" ክብል ስክፍትኡ ይገልጽ። እዚ ስክፍታ ግን ኣብ በይኑ ኣይኮነን። ብፍላይ ምስ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝግበር ዘሎ ስምምዕን ዝካየድ ዘሎ ርክባትን ብሕጋዊ ሃገራዊ ትካላት ክፍጸም ይግባእ ክብሉ ጻውዒቶም ከቕርቡ ጸኒሖም ኣለው። \"ምስ ሃገራት ዝግበር ዝኾነ ይኹን ርክብን ስምምዕን ብሕጋዊ ትካላት እንተዘይተፈጺሙ እቲ ብዕርክነትን ድላይን መራሕቲ ዝግበር ጽባሕ ንግሆ ሽግር ክፈጥር ይኽእል እዩ - እኹል ተመኩሮ እውን ኣሎና\" ይብል ፍስሃየ ነቲ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስን መለስ ዜናውን ዝነበረ መወዳእትኡ ናብ ከቢድ ጽልኢ ዝተቐየረ ክልተኣዊ ምሕዝነትን ፍቕርን ብምዝካር። እቲ ናብ ኵናትን ደምን ዘብጸሐ ምኽንያት፡ ክልቲኦም ስርዓታት ዝወቓቐሱሉ ብዙሕ ዝተሓላለኸ ጉዳይ እኳ እንተለዎ፡ ብዘተን ልዝብን ክፍታሕ ኣብ ዝነበሮ፡ መወዳእትኡ እውን ብሕግን ዳንነትን ዝተወደአ፡ ካብ ክልቲአን ሃገራት ኣስታት ሚእቲ ሽሕ ህይወት ዘጥፈአን ኣሻሓት ህዝቢ ዘፈናቐለን ዝረመሰን ኩናት ክንመሃረሉን ክንልብመሉን ከምዝግባእ ዘዘኻኸረ ዶክተር ሃይለ \"ካቢነ ምኒስተራት ኤርትራ ክእከብ ይግበኦ\" ይብል። ኤርትራ፡ ኣብ ንጥፈታት ልምዓት ብኹሉ እትኽእሎ ዓቕሚ ንኸይትስጉም እቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝዓንቀፋ ኣይ ኩናት ኣይ ሰላም ብዕርቀ ሰላም ካብ ዝቕንጠጥ ክልተ ዓመቱ ገይሩ ኣሎ። መምህር ፍስሃየ \"ቅድሚ ሕጂ ካቢነ ምእካቡ ብመልክዕ ዜና ኣብ ዝቐርብ ጸብጻብ ኣብ ቴሌቪዥን ንርእዮ ነይርና። እቲ ተዘትዩሉ ዝበሃል ዛዕባ እውን ኣብ ጋዜጣ ነንብቦ ነይርና። ይኹን እምበር እቲ ካቢነ ዝብሎን ዝካትዓሉን ዛዕባ ስለዘይንሰምዖ፡ ካቢነ ምኒስተራት ኤርትራ ዝተባህሎ ክሰምዕን ጉዳያት ከፈጽም እዩ ክእከብ ጸኒሑ። ስለዚ ተኣኪቡ ኣይተኣኪቡ ብዙሕ ለውጢ ዘምጽእ ኣይኮነን\" ይብል። መምህር ጸጋይ ከኣ፡ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ሓጋጊ ኣካል እንተለሚሱ እቲ ፈጻሚ ኣካል ተኣኪቡ ኣይተኣኪቡ ብግብሪ ትርጉም ከምዘይብሉ፡ ግን ከኣ ካብ ሓደ ርእሲ ክልተ፡ ካብ ክልተ ሰለስተ፡ ካብ ዓሰርተ ዕስራ ኣራእስ ስለዝሓይሽ ካቢነ ምኒስተራት ክእከብን ክዘራረብን ኣገዳሲ ምዃኑ ይገልጽ። ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ብ28 መስከረም ኣኼብኡ ዘካየደ ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ፡ ኣብ ጉዳይ ዕርቀ ሰላም ብዝምልከት ምስ ጎረቤት ኢትዮጵያ፡ ተኸባቢርካ ብሰላም ምንባር፤ ንሓባራዊ ረብሓታት ዘገልግል ናይ ምትሕብባር መቓን ምንጻር፤ ንኣሉታዊ ተራ ግዳማዊ ምትእትታው ዘይዕድም ሽርክነት ምምስራት፤ ክንዮ ክልተኣዊ ዝምድናታት ዝዝርጋሕ ሰላማዊን ርጉእን ጎዶቦ ንምውሓስ ብሓባር ምስራሕ፤ ክልተኣዊ ጸጋታት ኣጓሳጒስካ ብምትሕብባር ዞባዊን ዓለማዊን ጽልዋ ምዕዛዝ ኣብ ዝብል ሓሙሽተ አዕኑድ ከምዝዘተየን፡ ኣብ ዝቕጽል ሰለስተ ኣዋርሕን ክንዮኡን ብነፍሲ-ወከፍ ጽላት ክትግበር ዘለዎ ዕማማት ብዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ከምዝሃበን ይሕብር። ይኹን እምበር እቲ ካቢነ ሽዑ ምስተኣከበ ክሳብ ሕጂ ኣይተራኸበን። ተራኺቡ እንተኾይኑ እውን ንህዝቢ ብወግዒ ኣይተገልጸን። መምህር ፍስሃየ፡ ኣብቲ ናይ መስከረም 2018 ኣኼባ ካቢነ፡- ብክልተኣዊን ዞባውን መልክዓት፡ ትሕተ-ቅርጺ ወደባት ባጽዕን ዓሰብን ካልኦት ማርሳታትን ንምምሕያሽ፣ ቀረብ ጸዓት፣ ማይ፣ ኣባይቲ፣ መንገዲታት፣ ዕረያ መራኽብን ካልእ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ንምምዕባል ምርድዳእ ከምዝተገበረ ይዝክር። ብተወሳኺ ድማ ዞባውያን ስትራተጂያውያን መስመራት ንምሕዳስን ምስፋሕን፣ ደረጃኡ ዝሓለወ መዓልቦ ነፈርቲ፣ ንግዳዊን ኢንዱስትሪያዊን ዞባታት ንምልማዕ፣ ብቕዓት ፋይናንስያዊ ትካላት ክብ ንምባል፣ ማዕድናዊን ባሕራዊን ጸጋታት ንምምዝማዝ ብዝምልከት ውዱእ ውጥናት ተዳልዩ ከምዝቐርብን እቲ ውጥናት ብውሽጣዊ ዓቕሚን ደገፍ መሻርኽቲ ሃገራትን ትካላትን ከምዝምወል ተገሊጹ ምንባሩ ይገልጽ። እንተኾነ ክልተ ዓመት ቀሪቡ ክሳብ ሕጂ ካቢነ ዘይምእካቡን፡ እቲ ዝተባህለ ኣብ ምንታይ ከምዝበጽሐ ንህዝቢ ዘይምሕባሩን ከምዘተሓሳስብ ይዛረብ። እዚ ሓድሽ መዋእል፡ ብዙሕ ብደሆታት ከምዘለዎም ብኸቢድን ዘየላቡን ስራሕ ክግጠም ከምዘለዎ ዝሓበረ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት 2018፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ጉዳያት ኣበይ በጽሐ? መኣዝን ጉዕዞ ህንጸትን ምዕባለን ከመይ ኣሎ? ክብል ዘይምእካቡ እምበኣር \" ካቢነና ኣብ ምንታይ ኣተወ?\" ዝብል ሕቶ ከምዘልዕል መምህር ጸጋይ የረድእ። ሚኒስተራት ሃገራት ዓለም ብኣካል ኣይኹን ብመርበብ ኢንተርነት እናተኣከቡ፡ ንምክልኻል ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ዝምልከት ውሳነታት እናሕለፉ፡ እቲ ቀደሙ'ውን፡ ብስሩዕ ዘይእከብ ካቢነ፡ ኣብዚ ወሳኒ መድረኽ መኸተ ኮቪድ ተኣኪቡ ብቓልዕ ወሳኔታት ክህብ ዘይምርኣዩ፡ እምበር'ዶ ካቢኔ ኤርትራስ ኣሎ'ዩ ዘብል'ዩ ይብል መምህር ጸጋይ። መምህር ፍስሃየ እውን ብወገኑ፡ \"ጉዳይ ዕጽዋ ንመኸተ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ምድንጓይ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት ናይ ገዛእ ርእሱ ተራ ተጻዊቱ ክኽውን ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ መራሕትን ሰበስልጣናትን ዝተፈላላያ ሃገራት ርሕቀቶም ሓልዮም ዋኒኖም የሳልጡን ቴክኖሎጂ ብዘፍቅዶ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብቪርቹዋል ይራኸቡን ስለዘለው፡ ስለምንታይ'ከ ኤርትራ ከምኡ ዘይትገብር ዝብል ሕቶ ክለዓል ግን ግድን እዩ\" ይብል። ኣብ ፖለተካዊ ቅርጺ መንግስቲ ኤርትራ እቲ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ሃገራዊ ባይቶ እዩ። እቲ ብ150 ኣባላት ዝቖመ ባይቶ፡ 75 ኣባላቱ፡ ካብ ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን እቶም ካልኦት 75 ከኣ ብህዝቢ ዝተመርጹ እዮም። እቲ ሓጋጊ ኣካል ኣብ ነብሲ ወከፍ ሽዱሽተ ወርሒ ሓንሳብ ስሩዕ ኣኼብኡ ከካይድ፤ ምምኽኻር ኣብ ዘድልዮ ጉዳይ ከኣ ብትእዛዝ ፕረዚደንት ብህጹጽ ክእከብ፤ ኣብ ርእሲኡ 2\/3 ካብ ኣባላቱ ኣኼባ ምስ ዝጠልቡ እውን ፕረዚደንት ኣኼባ ክጽውዕ ሓላፍነት ከምዘለዎ እዩ ዝፍለጥ። ይኹን እምበር ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ድሕሪ ጥሪ 2002 ክሳብ ሕጂ ተኣኪቡ ኣይፈልጥን እዩ። ብሞትን ሕምማን ዝጎደሉ ብዙሓት ካብ ኣባላቱ እውን ኣይተተክኡን። እቲ ክሳብ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ኤርትራ ኣኼብኡ ከካይድ ዝጸንሐ ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ እዩ ነይሩ። ንሱ ከኣ ኣብቲ ጽዑቕ ስራሕን ብዙሕ ምምኽኻርን ዝሕተተሉ እዋን ዘይምእካቡ ንብዙሓት ሰባት \"ስለምንታይ?\" ዝብል ሕቶ ኣሕዲሩሎም ከምዘሎ መምህር ጸጋይ ይሕብር። እዚ ህወሓት ንዝተሓሰሞ ብይን ኮሚሽን ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ብምቕባል ወጥሪ ክልተ ዓመት ዘዝለቐ ታሪኻዊ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ድሕሪ ምፍራሙ፡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለየ ቁጠባውን ንግዳውን ጉዳያት፣ ኣብ ምንቅስቓስ ሰብን ንዋትን፣ ኣብ ግምሩክን ቀረጽን ካልእን፤ ዝተጸንዐን ብትካላት ህዝቢ ዝግለጽን ስምምዓት ክትክትም ትጸቢት ይግበር። ይኹን እምበር፡ ሃገራዊ ባይቶኣ ዝለመሰ ሃገር ምስ ኢትዮጵያ በየናይ ሕጋዊ ኣካልን ትካልን እያ ስምምዕ ክትፍርም ዝብል ሕቶ ቅድሚ ሕጂ እውን ብዙሓት ኤርትራውያን ምሁራት ክሓቱሉ ዝጸንሑ ዛዕባ እዩ። በዚ ኾነ በቲ ግን፡ እቲ ይስራሓሉ ኣሎ ክብሃል ዝጸንሐ ንግዳውን ናይ ምንቅስቓስ ሰባት (ኢሚግሬሽን) ስምምዓትን ዛጊት ዝማህመነ ናይ ቃላት ተስፋ ኮይኑ ጥራይ'ዩ ተሪፉ ዘሎ። ሕጂ እውን እንተኾነ ይብል መምህር ፍስሃየ፡ ነባሪ ሰላምን ምርግጋእን ክመጽእ እንተኾይኑ፡ ኤርትራ እትገብሮ ዝኾነ ይኹን ስምምዓት ብሕጋዊ ትካላዊ ኣካላት እንተኾይኑ ጥራሕ'ዩ - መጻኢ ጉዕዞ ውሕስነት ዝህልዎ። ካብኡ ተረፈ፡ ኣብዚ ሓበሬታ ልዕሊ ኣጽዋር ጸብለል ዝበለሉ እዋን ሃገራዊ ባይቶኣ ዝለመሰ፡ ካቢነ ሚኒስተራታ ዝተረሰዐ፡ ንህዝቢ እኹል ሓበሬታ ዘይትህብ ሃገር ዝገበረት እንተገበረት ከምቲ ዝድለን ትጽቢት ዝግበሮን ኣብ ልምዓትን ህንጸትን ክትስጉም ከምዘይትኽእል የዘኻኽር።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/54245593"} {"headline":"ኤምባሲ ኣሜሪካ: ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ዜጋታቱ ክጥንቁቑ ኣተሓሳሲቡ","content":"ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ፡ ሎሚ ንግሆ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡን ፈይስ ቡክን፡ ትማሊ 14 ሕዳር ሰዓት 7:50 ድሕሪ ቀትሪ ተደጋጋሚ ነትጕ ከምዝተሰመዐ ብምሕባር ዜጋታቱ ኣድላይ ጥንቃቐ ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ። እቲ ኤምባሲ፡እቲ ነትጉ ኣብ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ከምዝኾነ ዘይተጻረየ ሓበሬታ ከምዘሎ ገሊጹ። እቲ ኢምባሲ፡ ኣህጉራዊ መዓርፊ ኣስመራ ተደብዲቡ እዩ ዝብል ሓበሬታ እኳ እንተዘየሎ፡ ኩሎም ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ዜጋታት ኣሜሪካ ጥንቃቐታት ከዛይዱን ክሳብ ተወሳኺ ሓበሬታ ዝውሃብ ኣኣብ ቤቶም ኮፍ ክብሉን ካብ ዘየድሊ መገሻታት ክቑጠቡን ኣዘኻኺሩ። ኣብ ርእሰ ከተማ ኣስመራ፡ ኣብ ከባቢ መዕርፎ ነፈርቲ ሓያል ነትጒ ተሰሚዑ። ኣፈኛ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ከኣ እቲ መጥቃዕቲ ባዕላቶም ከምዝፈጸምዎ ሎሚ ብትዊተር ሓቢሩ። መራሕቲ ክልል ትግራይ ቀዳም 14 ሕዳር ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሓይልታቶም መጥቃዕትታት ከምዝፈነወ ብምኽሳስ፡ ኣብ ኤርትራ'ውን \"ዝተመርጹ ዒላማታት\" ክሃርሙ ምዃኖም ኣጠንቂቖም ነይሮም። ብኻልእ ወገን ምስ ትግራይ ኣብ ዘዳውብ ዝተፈላለየ ግንባራት ኵናት ይካየድ ከምዘሎ ምንጭታት ንቢበሲ ኣረጋጊጾም። ብሰሉስ 10 ሕዳር፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኤርትራ \"ኣብ ውሽጣዊ ግጭት [ኢትዮጵያ]\" ከምዘይትኣቱ ተዛሪቡ ነይሩ። ብዛዕባ'ዚ ሎሚ ኣብ ኣስመራ ዝተሰምዐ ነትጒ ግን ዛጊት ብወገ ንኤርትራ ዝተገልጸ የለን። ኣፈኛ ማእከላይ እዚ ትግራይ ንማዕከናት ዜና እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ \"ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣብ ምሩጻት ዒላማታት ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ\" ከምዘካይዱ ጠቒሱ ነይሩ። ናብ ቀዳም ዘውግሐ ለይቲ ድማ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ከተማታት ባህርዳርን ጎንደርን ኣብ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ናይ ሚሳይል ደብዳብ ከምዘካየዱ ሰብ መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣረጋጊጾም። ኣብ መንጎ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዝተወለዐ ግጭት፡ ዛጊት ብዙሕ ሞትን፡ ምፍንቓል ኣስዒቡ ይርከብ። እዚ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት፡ መጻኢ ዕብየት እታ ሃገር ክዕንቅፍን ሰላም ጎረባብቲ ክዘርግ ይኽእል እዩ ዝብል ሻቕሎት ክግለጽ ምንጽንሑ ይፍለጥ። ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጎተረስ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት ኣብ ምህዳእ፡ ''ርግኣት ኢትዮጵያ ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣገዳሲ'ዩ\" ክብል ተዛሪቡ። እዚ ኵናት ኣብታ ልዕሊ 110 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋን ከምኡ'ውን ኣብ ኣፍሪቃ ብቕልጡፍ ዝዓቢ ዘሎ ቁጠባ እትውንን ኢትዮጵያ ዘይተርፍ ሰፊሕ ጽልዋ ኣሎዎ። ይኹን እምበር መንግስቲ ፈደራል፡ ምስቲ ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ህወሓት ኣጋጢሙዎ ዘሎ ኵናት ብዲፖሎማስያዊ ዘተ ንክፍታሕ ዝቐርብ ዘሎ ምሕጽንታ ነጺጉ፡ \"ውሽጣዊ ጉዳይ'ዩ\" ብምባል መጥቃዕቲ ከፊቱ ኣሎ። እቲ መንግስቲ፡ ነቲ ዘሎ ኩናት \"ልዕልና ሕጊ ንምርግጋጽ እንገብሮ ዘለና ጻዕሪ'ዩ'' ብምባል፡ ናይ ኢትዮጵያ ቁዋማዊ ስርዓት ንምዕናው ዝሕልኑ \"ኣንጻር ውሑድ ጉጅለ\" ዝግበር ቃልሲ ምዃኑ ይገልጾ። እቲ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት ውጽኢት ናይ ነዊሕ እዋን ኣብ ምትፍናን ዝነበሩ ህወሓትን ፈደራል መንግስትን እዩ። ብሰንኪ እዚ ድማ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ንሱዳን ይሰግሩ ከምዘለውን፡ እዚ ድማ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ይዝርጋሕ ከምዘሎ ዘርኢ ምልክት እዩ። መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም። ብለበዳ ኮቪድ-19 ብዝተናውሐ ምርጫ እውን ተሰሓሒቦም። ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ ምርጫ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ምርጫ ኣካይዱ። ዶ\/ር ኣቢይ እቲ ምርጫ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ። ብድሕር'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም። ብ03 ሕዳር ከኣ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ምስ ዝነበረ ናይ ሰሜን እዝ ጎንጺ ተኸሲቱ። ዶክተር ኣብይ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝተወስደ ስጉምቲ ብምኹናን፡ ሕጊ ንምኽባር ብዝብል ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ። ኣብ ትግራይ ዝጸንዕ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ህጹጽ ግዘ'ውን ኣዊጁ። ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ እውን ንመንግስቲ ህወሓት ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዝሸይም ሓቢሩ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54949349"} {"headline":"ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ድሕሪ ዘመዝገበቶ ሓድሽ ክብረወሰን ዓለም እንታይ ኢላ?","content":"ብሮቡዕ ኣብ ስጳኛ ቫሌኒሺያ አብ ዝተኻየደ ናይ ሓሙሽተ ሽሕ ሜትሮ ውድድር ጉያ እግሪ ብደቂ ኣንስትዮ ሓድሽ ክብረወሰን ዓለም ተመዝጊቡ። ነዚ ድማ ጓል 22 ዓመት ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ነቲ ንዝሓለፉ 12 ዓመታት ተመዝጊቡ ዝጸንሐ ክብረወሰን ዳርጋ ብሓሙሽተ ደቓይቕ ክተመሓይሾ ክኢላ። ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ጥሩነሽ ዲባባ ብ2008 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ብ14፡11፡15 ብምእታው ዝሓዘቶ፡ ኣብቲ ኣብ ስፔን ዝተኻየደ ውድድር ዝተዓወተት ለተሰንበት ግደይ ብ14፡06፡62 ኣትያ ተኣዊታትሉ። እታ ኣትሌት ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝነበራ ሓጺር ጻንሒት፡ \"እቲ ውድድር ደስ ብሃሊ ነይሩ፤ ምስቲ ሕዚ ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከም ድላይካ ንክትንቀሳቐስ ዝኸብድ ስለ ዝኾነ ርግጸኛ ኮይነ'ኳ እንተዘይኣተኹ ክብረወሰን ክሰብር ኣለኒ ኢለ ግን ኣትየ። መወዳእትኡ ከኣ ኣዝዩ ዘሐጉስ ኮይኑ\" ኢላ። ነቲ ውድድር ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ልቢ ኢላ ከም ዝተዳለወትሉን፡ ንኣፈጻጽምኡ'ውን ከም ዝጽዓረትሉን ብምግላጽ ሕጉስቲ ምዃና ሓቢራ። \"ኣሰልጣንየይ ሓደ ዙርያ ኣብ ክንደይ ደቒቓን ካልኢትን ክኸዶ ከም ዘለኒ ብግቡእ ስለ ዝዓለመኒ ንዕኡ ሒዘ እየ ዝኸይድ ነይረ። እቲ ውድድር ሙሉእ ድማ እናተፈለጠኒ ይኸዶ ነይረ\" ኢላ። እዚ ዓወት ናይ ሓጺር እዋን ኣይኮነን ዝበለት ኣትሌት ለተሰንበት፡ ካብ 2006 ጀሚሩ ክትዳለወሉ ከም ዝጸንሐት ተዛሪባ። ዋላ'ኳ እቲ ኣበጋግሳ ንሓዳሽ ኣትሌት ከቢድ እንተነበረ፡ ነዚ ብደረጃ ዓለም ዝረኸበቶ ሓድሽ ክብረወሰን ክትጽምብል ከም ዘኽኣላ እያ ትገልጽ። \"ኣብ ቀጻሊ ድማ፡ ኣብ ካልኦት ውድድራት ክብረወሰን ብምምዝጋብ፣ ኣብ ኦሎምፒክን ሻምፒዮና ዓለምን ድማ ብተደጋጋሚ ንሃገርካ ወርቂ ምምጻእ'ዩ ዕላማይ ክኸውን\" ክትብል ኣውጊዓ። ኣሰልጣኒያ ሃይለ እያሱ ብወገኑ፡ በቲ ዝተረኽበ ዓወት ኣዝዩ ሕቡን ከም ዝኾነ ብምግላጽ፡ ንዝበለጸ ስራሕ ምልዕዓል ከም ዝፈጠረሉ ገሊጹ። \"እዚ ንብዙሕ ዓመታት ተታሒዙ ዝነበረ ክብረወሰን ዓለም እዩ። ብኢትዮጵያዊት ኣትሌት ጥሩነሽ ዲባባ ተታሒዙ ስለ ዝነበረ ግን ዳርጋ ካብ የማናይ ኢድ ናብ ጸጋማይ ኢድ እዩ ከይዱ ኢለ እየ ዝቖጽሮ። ኣብዚ፡ ክብረወሰን ንምሓዝ ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ወይ ሸውዓተ ዓመታት መደብ ሒዝና ዝተጉዓዝናሉ ዓብዪ ስራሕ ስለ ዝኾነ ድማ ዓብዪ ውጽኢት እዩ\" ኢሉ። ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ ውድድራት ሓሙሽተ ሽሕ ሜተር፣ ዓሰርተ ሽሕ ሜተርን 21 ኪሎሜተር ማራቶንን ክብረወሰን ክትሰብር ኣለዋ ዝብል ትልሚ ሒዙ ክሰርሕ ከም ዝጸንሐ'ውን ሓቢሩ። \"ትማሊ ክብረወሰን ክንሰብር ኢና ኢልና ኢና ኣቲና፤ ድሕሪ ሐዚ 10 ሽሕ ሜተር ክብረወሰን ክንሰብር ኢና። እዚ ፈላማይ ዓወትና ግን ኣብ ኦሎምፒክ'ውን ደጋጊምና ንክንስዕር፡ ብትኽክል ንጉዓዝ ከም ዘለና ዘርኢ ስለዝኾነ ፍሉይ ምትብባዕ ፈጢሩልና እዩ\" ይብል። ኣብ ቐጻሊ ኣብ ዝካየዱ ውድድራት ብዝሓሸ ብቕዓትን ምድላውን ንክሳተፉ ዕድል ክረኽቡ ከም ዘተስፉ ኣሰልጣኒ ሃይለ እያሱ ይገልጽ። \"ኣብ ቀጻሊ ናይ ኣስፋልት ውድድራት 21 ኪሎሜትር፣ ዲያመንድ ሊግ ክንወዳደር ኢና ኢለ ይግምት። ብፍሉይ እንዳለወሉን ሚኢቲ ሚኢታዊት ምድላው እንገብረሉን ግን ቶክዮ ኦሎምፒክ'ዩ\" ኢሉ። ዓወታት ኣትሌት ለተሰንበት","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54471076"} {"headline":"“ኣብ ትግራይ ምስ ዘሎ ሓይሊ ዘሎ ጉዳይ፡ ብሕግን ብሕግን ጥራይ ክምለስ'ዩ” ኣብዪ ኣሕመድ","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሎሚ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ዝመለሰ ኾይኑ፡ ንቅዋም መንግስቱ’ውን ገሊጹ። ብተደጋጋሚ ካብ ኣባላት ባይቶ ካብ ዝቐረቡ ሕቶታት፡ ምስሕሓብ መንግስቲ ፌደራልን ክልል ትግራይን ዝምልከት ይርከቦ። ገለ ኣባላት ባይቶ ኣብ ሕቶኦም፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ “ብኢደ ወነኑ ይኸይድ ኣሎ” ክብሉ ተሰሚዖም። ብፍላይ ሓደ ኣባል ባይቶ ድማ፡ ንህወሓት ኣብ ኢትዮጵያ ጎንጽታት ብምፍጣር ዝኸሰሰ ኮይኑ፡ ኣብ ዶብ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ዝለዓል ናይ “ይግበኣኒ ሕቶ” ንምንታይ እዩ ክሳብ ሕዚ ፍታሕ ዘይረኸበ ክብል ሓቲቱ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ \"ኣብ ትግራይ ምስ ዘሎ ሓይሊ ዘሎ ጉዳይ፡ ብሕግን ብሕግን ጥራይ ክምለስ እዩ” ዝብል ሓጺር መልሲ ሂቡሉ። ብተወሳኺ ንኣብዪ ኣሕመድ ካብ ዝቐረቡ ሕቶታት ‘መንግስትኻ ፌደራላዊ ስርዓት ኣፍሪሱ፡ ኣሃዳዊ ስርዓት ክተክል ይሰርሕ ኣሎ ድዩ?’ ዝብል ነይሩ። መንግስቲ ክልል ትግራይን ውድብ ህወሓትን፡ ንመንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ ብ “ኣሃዳውነት” ክኸስስ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ እዩ። \"ፌደራላዊ ማለት ዴሞክራሲያዊ፡ ኣሃዳዊ ግን ዘይዴሞክራሲያዊ እዩ” ዝብል ክትዕ ንፖለቲካ ካብ ዘይምርዳእ ዝብገስ እዩ ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ብዙሓት ኣሃዳዊ ስርዓት ዝኽተላ ሃገራት ‘ዴሞክራሲያዊ እየን’ ኢሉ። ድሕሪ ለውጢ፡ “መንግስቲ ፌደራል ኣብ ጉዳይ ዝኾነት ክልል ኢዱ ኣይሓወሰን” ድማ ኢሉ። ቅዋም መንግስቱ ክገልጽ እንከሎ ግን፡ መንግስትና “ሓቀኛ ዴሞክራሲያዊ ፌደራላዊ ስርዓት እዩ ዝሃንጽ ዘሎ” ኢሉ። ኣብ ጉዳይ ቁጠባ እንታይ ኢሉ? ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ጉዳይ ቁጠባ ኢትዮጵያ ኣስፍሕ ኣቢሉ ዝተዛረበሉ ክኸውን ከሎ፡ ሓፈሻዊ ኩነታት ቁጠባ እታ ሃገር \"ኣዝዩ ተስፋ ዝህብ እዩ” ኢሉ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝበሎ፡ ካብ ሓምለ ክሳብ መስከረም ኣብ ዘለዉ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ “ካብ ናይ ወጻኢ ንግዲ 832 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ” ኢሉ። እዚ ድማ ምስ ናይ ዓሚ ተመሳሳሊ እዋን እንትነጻጸር “ናይ 15 ምኢታዊት ዕብየት ኣለዎ” ኢሉ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብ ምውህለል ሸርፊ ወጻኢ’ውን ‘ጽቡቕ ስራሕ ተሰሪሑ’ እዩ ብምባል፡ \"ሸርፊ ወፃኢ 20 ምኢታዊት ወሲኹ” ክብል ተዛሪቡ። እንተኾነ፡ ኢትዮጵያ ዘለዋ ሸርፊ ወጻኢ \"ክሳብ ክንድ’ቲ ዘጃህር ኣይኮነን\" ክብል ተዛሪቡ። ኣብ ቁጠባ ኢትዮጵያ በዳሂ ኮይኑ ዘሎ “ናህሪ ዋጋ” ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ምግቢ-ተንከፍ ኣቑሑ ናህሪ ዋጋ 21 ምኢታዊት ከምዝኾነ ገሊጹ። መግቢ ተንከፍ ኣብ ዘይኮኑ ኣቑሑ ድማ፡ 18.7 ምኢታዊት ናህሪ ዋጋ ከምዝተርኣየ ገሊጹ። ምስ ምቕያር ባጤራ (ቅርሺ) ብዝተኣሳሰር ድማ፡ 100 ቢልዮን ብር ሓድሽ ባጤራ ከምዝተዘርገሐ ገሊጹ። ምስ’ዚ ብዝዛመድ፡ 1.3 ሚልዮን ሓደሽቲ ሰባት ናይ ሕሳብ ባንኪ ከፊቶም እዮም ድማ ኢሉ። ዛጊድ፡ 37 ቢልዮን ብር ኣብ ባንኪ ክዕቆር ከም ዝኸኣለ’ውን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ተዛሪቡ። ጎንጽን ጉዳያት ጸጥታን ቀደማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ምክልኻል ሃገር ኣብ ጽቡቕ ቁመና ኣሎ፤ ንልኡላውነት ሃገር ዘስግእ'ውን የብልናን ክብል ተዛሪቡ። ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ጎንጽታት ዝሞቱ ሰባት ምስ’ቲ ጉዳይ ዘተኣሳስር የብሎምን። ፖለቲካዊ ‘ባእሲ ክልተ ኣናብስ፡ ኣብ ዘይፈልጥዎ ዝሞቱ እዮም’ ክብል ተዛሪቡ። ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ንዘጋጠመ ጸገም ጸጥታ ብዝምልከት ክዛረብ እንከሎ ድማ፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት ወፍሪ ተኻይዱ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ተማሪኾምን ሃዲሞምን እዮም ኢሉ። ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ድማ “መስዋእቲ ከፊሉ እዩ” ኢሉ። ብኻልእ ወገን፡ ‘ኣብ ውሽጥና ኣለዉ’ ዝበሎም “ባንዳታት” ምስ ናይ ወጻኢ ጸላኢ ይሰርሑ ኣለዉ ክብል ዝኸሰሰ ኮይኑ፡ ናይ ሚድያ ፕሮፖጋንዳ ንምስራሕ ብናጻ ሳተላይት ክረኽቡ፣ ናይ ዲፕሎማሲ ሰንሰለታት ክጥቀሙን ምስ “ጸላእቲ” ይሰርሕ ኣለዉ ድሕሪ ምባል “ተረፍ መረፍ ክላሽን ብሬንን’ውን የእትዉ እዮም” ክብል ተዛሪቡ። እንተኾነ፡ እቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኣለዉ ዝበሎም “ባንዳታት” ኮኑ እቶም ናይ ደገ “ጸላእቲ” መን ምዃኖም ኣይገለጸን።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54600004"} {"headline":"ኣብ ልዕሊ ካናዳዊ ኩባንያ ኔቭሰን ተመስሪቱ ዝነበረ ክሲ 'ብስምምዕ' መዕለቢ ተገይሩሉ","content":"ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ኤርትራውን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ልዕሊ ካናዳዊ ኩባንያ ኔቭሰን ዝመስረትዎ ክሲ \"ብስምምዕ\" ሕጋዊ መዕለቢ ተገይረሉ። ነቲ ጉዳይ ንዓሰርተ ዓመታት ዝተኸታተለቶ ዳይረክተር ሓይልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ወ\/ሮ ኤልሳ ጭሩም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓጺር ሓበሬታ: እቶም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ነበር፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበሩሉ እቲ ኩባንያ ኣብቲ ኣብ ቢሻ ዘካይዶ ዝነበረ ዕደና ብናጻ የስርሖም ከምዝነበረን፡ ከምዘይክፈሉ እናፈለጠ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብምስምማዕ ጉልበቶም ስለዝመዝመዞም እዮም ከሲሰሞ ነይሮም ኢላ። እቲ ኣብ ካናዳ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ተታሒዙ ዝጸንሐ፡ ብሽምግልና ዝተወደአ መስርሕ ዳንነት ሕጉሳት ምዃኖም ኤልሳ ጭሩም ንቢቢሲ ሓቢራ። ትሕዝቶ ናይ ስምምዕ እንታይ ምዃኑ ግን ዝተፈልጠ ነገር የለን። ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ኤርትራ ወይ ድማ ኣብ ካልኦት ናይ ኣፍሪቃ መጋባእያታት ክረአ ብተደጋጋሚ ጠለብ ከቕርብ ጸኒሑ'ዩ። እንተኾነ ቤት ፍርዲ ካናዳ፡ ብ28 ለካቲት 2020፡ ጉዳይ ናይቶም ኣብ ዕደና ወርቂ ቢሻ ኣብ ግዱድ ስራሕ ከም ዝነበሩ ዝኸሰሱ ኤርትራውያን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣካል ዓለምለኻዊ ሕግታት ብምዃኑ እቲ ጉዳይ ኣብ ካናዳ ክቕጽል ወሲኑ። እቶም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ካብ 2008 ክሳብ 2012 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ዕደና ቢሻ ተገዲዶም ይሰርሑ ምንባሮምን፡ መሰላቶም ተጋሂሱ፡ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ከም ዝነበሮም'ዮም ዝኸሱ። እቶም ከሰስቲ፡ ኣብ ቢሻ፡ ምስተን ምስ ነቭሰን ተሻሪኸን ዝሰርሓ ሃገራውያን ኩባንያታት [ናይ ኤርትራ] ተመዲቦም ኣብ ዝሰርሕሉ ዝነበሩ እዋን፡ ብሕማምን ጥሜትን ከምኡ እውን ብወተሃደራውያን ሓለፍቶም ኣካላዊ መቕጻዕቲ የጋጥሞም ከምዝነበረ እዮም ከሲሶም። ኩባንያ ኔቭሰን ብወገኑ፡ ነቲ ክሲ ብምንጻግ፡ ሓላፍነት ናይቶም ሰራሕተኛታት ከም ዘይነበሮ ክምጉት ጸኒሑ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/54512628"} {"headline":"ብድሕሪ ስምምዕ ሰላም ዘለዉ መገሻታት ፕረዚደንት ኢሳይያስን ርክባት ምስ ሃገራት ኣፍሪቃን","content":"ቀዳማይ ሚንስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጸአ እቲ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝጸንሐ ኩነተ - ኲናት ተቐይሩ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ሰላም መጺኡ። ድሕረ እቲ ስምምዕ ሰላም ድማ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ብተደጋጋሚ ካብን ናብን መገሻታታት ይገብሩ ኣለዉ። ናይ ሰለስተ መዓልቲ ወግዓዊ ዑደት ስራሕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሎመዓልቲ ክዛዘም ትጽቢት ይግበር። እዚ፡ ፕሬዝደንት ኢሳይያስ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ክልትኤን ሃገራት እንተውሓደ ንሻድሻይ ጊዜ ናብ ኢትዮጵያ ዝገበሮ መገሻ እዩ። እንተኾነ ኣብ ኩሎም ዝገበሮም መገሻታታት ኮነ ቀዳማይ ሚንስትር ናብ ኤርትራ ዝገበሮም ዑደታት፡ 'ንክልትኣዊ ጉዳያት ዝምልከት ዘተ ተኻይዱ' ካብ ዝብል ሓበሬታ ብዝሰገረ ክሳብ ሕጂ ዝርዝር እቶም ዝካየዱ ስምምዓት ኮነ ዝርርባት ኣይተገለጸን። ቀዳም 7 ሓምለ 2010 ዓ.ም(14\/7\/2018) ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብድሕሪ ልዕሊ 20 ዓመታት ንፈለማ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወሉ እዋን 7 ሓምለ 2010 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ነይሩ። እቲ ፕረዚደንት ናብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ምኻዱ ግን ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ 'መስርሕ ሰላም ክልትኤን ሃገራት ንምጅማር' ብዝብል ብ1 ሓምለ 2010 ናብ ኣስመራ ምብጽሑ ይዝከር። ኣብ ፈላማይ መገሻ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድማ እቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ተዓጽዩ ዝነበረ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኸፊቱ። ሰኑይ 1 መስከረም 2011 ዓ.ም(11\/09\/2018) ኢትዮጵያ ሓድሽ ዓመት ኣብ እትቕበለሉ መዓልቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳይያስን ኣብ ከባቢ ዶብ እተን ሃገራት ተረኺቦም። ኣብቲ ሽዑ እዋን ከኣ ንኽልትኤን ሃገራት ዘራኽቡ ዶባት ደባይሲማ-ቡሬ ከምኡ'ውን ሰርሓ-ዛላምብሳ ድሕሪ 20 ዓመታት ንፈላማ እዋን ተኸፊቶም። ዶባት ምስ ተኸፈቱ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ \"ዝምድና ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰላማዊ ንክኸውን ብዝገበርዎ ኣበርክቶ' ብዝብል ኒሻን ንጉስ ዓብደልዓዚዝ ሸሊሙዎም። ዓርቢ 30 ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም(9\/11\/2018) ፕረዚደንት ኢሳይያስ አፈወርቂ ዑደት ንምግባር ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ጎንደር ተረኺቡ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ፕረዚደንት ሶማሊያ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ'ውን ኣብታ ታሪኻዊት ከተማ ተረኺቡ ነይሩ። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ንክልቲኦም መራሕቲ ኣቀባብላ ዝገበረሎም ኮይኑ፤ ኣብ ጻንሒቶም ድማ ምስ ላዕለዎት መራሕቲ ክልል ኣምሓራ ዘተ ኣካይዶም። ኣብ ጎንደር ዝነበሮም ጻንሒት ምስ ዛዘሙ ናብ ከተማ ባህርዳር'ውን ምብጻሕ ከም ዝገበሩ ይዝከር። ሰንበት 25 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም(3\/05\/2020) ኣብቲ ዕለት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንናይ ክልተ መዓልቲ ዑደት ስራሕ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ። ንሚንስተር ወጻኢ ጉዳያትን ኣማኻሪኡን ኣኸቲሉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ እቲ ፕረዚደንት፡ ዕላማ መገሽኡ ኣብ ጉዳይ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ወራር ኣንበጣ በረኻን ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ንምዝርራብ ከም ዝኾነ ተገሊጹ ነይሩ። ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብወገኑ፤ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ምጥንኻር ክልትኣዊ ርክባት ከም ዝዝትዩ ብትዊተሩ ሓቢሩ እዩ። ሰኑይ 2 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም(12\/10\/2020) ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነንዝሃለፉ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ልምዓት ክበጽሕ ቀንዩ ኣሎ። ኣብዚ መገሽኡ ድማ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዝርከቦም ገዘፍቲ ፕሮጀክታት እታ ሃገር ከም ዝተዓዘበ ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን። ኢትዮጵያን ኤርትራን ስምምዕ ሰላም ምስ ገበራ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ዞባ ናብ ዝርከባ ካልኦት ሃገራት'ውን ዑደት ስራሕ ኣካይዱ'ዩ። ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ድማ ናብ ሶማሊያ፣ ኬንያ፣ ግብጽን ደቡብ ሱዳንን በጺሑ። ኤርትራን ሶማሊያን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኤርትራ ናጽነታ ካብ እትረክብ ንፈለማ እዋን ኣብ 4 ታሕሳስ 2011 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ግእዝ) ናብ ሶማሊያ መገሻ ገይሩ ነይሩ። ኣብቲ ሽዑ እዋን መራሕቲ ክልትኤን ሃገራት ሓበራዊ ስምምዕ ከም ዝፈረሙ መደብር ቴሌቪዥን ሶማሊያ ጸብጺባ እያ። እቲ ፕረዚደንት ናብ ሶማሊያ ቅድሚ ምጋሹ ግን ምስ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፈርማጆ ኣብ ኢትዮጵያ ተራኺቦም'ዮም። 5 መስከረም 2011 ዓ.ም መራሕቲ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብ ከተማ ኣስመራ ስምምዕ ምትሕብባር ፈሪሞም ምንባሮምን ንኣፈጻጽማ እቲ ስምምዕ ንምግምጋም ካብ 29 ክሳብ 30 መስከረም [ኣ.ኢ] ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተራኸቡን ቴሌቪዥን ኤርትራ ጸብጺባ ነይራ። ብተወሳኺ ድማ ኤርትራ ነቲ ኣብ ሞንጎ ሶማሊያን ሶማሊላንድን ዘሎ ምትፍናን ብሰላማዊ መገዲ ናይ ምፍታሕ ድልየት ከም ዘለዋ ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ። ንርእሳ ሉእላዊት ሃገር ኢላ ንእትጽውዕ ሶማላንድ ዝድግፍ 'ጋሮዌ ኦንላይን' ዝተበሃለ መርበብ ሓበሬታ፡ ኤርትራ ንኽልቲኦም ወገናት ንምትዕራቕ ሕቶ ከም ዘቕረበት ሰፊሕ ጸብጻብ ኣቕሪቡ ነይሩ። 24 መስከረም 2013 ዓ.ም ድማ ፕረዚደንት ሶማሊያ ፋርማጆ ናብ ኣስመራ ገይሹ። መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ዘተ ከም ዘካየዱ ዝሓበረ ሚንስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ነቲ ኣብ ኣስመራ ዝተበጽሐ ስምምዕ ንምፍጻም ኣብ ምርድዳእ ከም ዝበጽሑ ገሊጹ። ኤርትራን ኬንያን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ታሕሳስ 2011 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ግእዝ) ኣብ ሶማሊያ ዝነበሮሮ ምብጻሕ ምስ ዛዘመ፡ ብፕሬዝደንት ኡህሩ ኬኒያታ ብዝቐረበሉ ዕድመ ናብ ኬንያ ከም ዘምርሐ ይፍለጥ። ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዓውድታት ቁጠባን ፖለቲካን ዝነበረን ርክብ ክሳብ ክንድዚ ዝበሃል ኣይነበረን። ኬንያ'ውን ኣብ ኤርትራ ኤምባሲ ስለ ዘይብላ ኣብ ካይሮ ብዝርከብ ኤምባሲኣ ኣቢላ'ያ ጉዳያታ እተፈጽም። ኣብ 2011 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ፡ ሚንስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኬንያ 'ኤርትራ ነቲ ኣብ ሶማሊያ ዝንቀሳቐስ ኣሸባሪ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ሓገዝ ትገብር'ያ' ክብል ከሲሱ ምንባሩ ጸብጻብ ሮይተርስ የመልክት። 6 ታሕሳስ 2011 ናብ ከተማ ናይሮቢ ዝኣተወ እቲ ፕረዚደንት ንኽልተ መዓልቲ ዝጸንሐ ዑደት ኣካይዱ። ኣብቲ እዋን፡ \"ኣብ ሞንጎ ክልትኤን ሃገራት ዘሎ ንግዳዊ ርክብ ምጥንኻር\" ዝብል እቲ ቀንዲ ዛዕባ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ከም ዝነበረ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ኤርትራ ጸብጺባ ነይራ። 25 ሚያዝያ 2011 ከኣ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ናብ ኣስመራ ምብጻሕ ኣካይዱ። ኣብቲ ሽዑ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ እውን ስለ ዝተረኸበ ስሉሳዊ ዘተ ኣካይዶም። ኤርትራን ሱዳንን እዘን ሃገራት ንነዊሕ ዓመታት ንሓድሕደን ክካሰሳ ምጽንሐን ይፍለጥ። ሱዳን ኣብ 2005 ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ፡ 'ኤርትራ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ንዝርከቡ ዕጡቃት ናይ ዕጥቂ ደገፍ ትገብር'ያ' ክትብል ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክሲ ኣቕሪባ ነይራ። ኤርትራ ብወገና ንኽሲ ሱዳን ከም ዝነጸገቶ ይዝከር። ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ድማ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ምምሕያሽ የርኢ ኣሎ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ካብ ስልጣን ምስተኣለየ ኣብ ሚያዝያ 2012 ናብ ሱዳን ገይሹ ነይሩ። ንኻልኣይ ጊዜ ድማ 13 ሰነ 2012 ዓ.ም ናብ ካርቱም ኣትዩ። ኣብቲ ዑደት ከኣ ምስ ፕረዚደንት ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሌተናል ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል-ቡርሃን ተራኺቡ። ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ክልትኣዊ ጉዳያትን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ኩነታትን'ዮም ዘትዮም። 2 ጳጉሜን 2012 ድማ ሌተናል ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል-ቡርሃን ንናይ ሓደ መዓልቲ ወግዓዊ ዑደት ስራሕ ናብ ኣስመራ ኣትዩ። ኤርትራን ግብጽን 13 መስከረም 2011 ኣ.ኢ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ግብጺ ሳሚ ሹክሪ ኣብ ቤተ መንግስቱ ተቐቢልዎ ነይሩ። ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተሩ ከም ዝሓበሮ ድማ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ዞባዊ ሰላም ኣብ ምጥንኻርን ጉዳያት እተን ሃገራት ዘትዮም'ዮም። 28 ሰነ 2012 ከኣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ግብጺ ካይሮ መገሻ ብምግባር ንሰለስተ መዓልቲ ጸኒሑ። እቲ ፕረዚደንት ምስ ፕረዚደንት ዓብዱል ፈታሕ ኣል-ሲሲን ካልኦት ሰበስልጣን እታ ሃገረን ኣብ ክልትኣውን ዞባው ጉዳያት ከም ዝዘተዩ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ኤርትራ ኣቃሊሓ ነይራ። ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪን ብ26 ሚያዝያ 2011 ኣ.ኢ ንሓደ መዓልቲ ጥራይ ዝጸንሕ ዑደት ስራሕ ንምክያድ ናብ ጁባ ኣትዮም። ሽዑ ምስ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ብምርኻብ ኣብ ስሉሳውን ዞባውን ጉዳያት ከም ዝዘተዩ ይግለጽ። ዶባዊ ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ምስተኻየደ፡ ኤርትራ ኣብ ከባቢያዊ፣ ኣህጉራውን ዓለምለኻውን መድረኻት ዝነበራ ተሳትፎ ካብ ምዝሕሓሉ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈላለዩ ማዕቀባት ተነቢሮም ጸኒሖም'ዮም። ብድሕሪ ስምምዕ ሰላም ክልትኤን ሃገራት ዝረአ ዘሎ ኩነታት ድማ እቲ ኣብ ሞንጎኤን ዝጸንሐ ዘይሰላማዊ ኩነታት ኤርትራ ምስ ካልኦት ሃገራት ኣብ ዝነበራ ርክብ ጽልዋ ኣሕዲሩ ከምዝነበረ የመልክት።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54534967"} {"headline":"ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ነቲ ብጉጀለ ኦል ፓርላሜንት ዝተጻሕፈ ደብዳበ ነጺጉዎ","content":"ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ነቲ ብኦል ፓርላሜንታሪ ግሩፕ (ኤፒፒጂ) ፎር ኤርትራ ፡ 'ትግራይ ካብ ኤርትራ ስግኣት ከጋጥማ ይኽእል እዩ' ክብል ናብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ዝጸሓፎ ደብዳበ መሰረት ዘይብሉ'ዩ ክብል ነጺጉዎ። እቲ ኤምባሲ ኣብቲ ናብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ኤፒፒጂ ፎር ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ ስርዓት ክቕይሩ ናይ ዝደልዩ ወገናት ልሳን ኮይኑ ዘገልግል ካብቶም ሒደት ጸላእቲ መንግስቲ ኤርትራ እዩ ክብል ከሲስዎ። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቡ ንጉዳያት ኤርትራ ብቐረባ ዝከታተሉ ካብ ሓያሎ ሰልፍታት ዝተኣከቡ፡ ኣባላት ፓርላማን ሃውስ ኦፍ ሎርድስን፡ ብ04 ሕዳር ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ወጥርን ኵናትን፡ ንኤርትራን እቲ ከባብን ክጸልዎ ስለዝኽእል፡ መንግስቲ ብሪጣንያ እቲ ጎንጺ ብዝቐልጠፈ ንኪዓርፍ ክጽዕር ዝጽውዕ ደብዳበ ናብ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ልኢኾም ነይሮም። እቲ፡ ትግራይ፡ ካብ ፈዴራላዊ መንግስቲ ኢትዩጵያን መንግስቲ ኤርትራን ስግኣት ከምዘለዋ ዝጠቅስ ደብዳበ፡ መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ካብዚ ዘለዎ ንላዕሊ ከይዓረገ፡ ልዝብ ንኽፍጠር ፖለቲካዊ ደገፉ ከበርክት ይሓትት። ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ግን ነቲ ብኦል ፓርላሜንታዊ ግሩፕ ዝቐረበ ደብዳበ ብዘየወላውል መገዲ ነጺጉዎ ኣሎ። ነቲ መሰረት ኣልቦ ዝበሎ ናይቲ ጉጅለ ሓሳብ ድማ \"ናይ መሃይም ዘረባን ክፍኣት ዝመልኦን\" ክብል ገሊጽዎ። እቲ ደብዳበ ዝጸሓፈ ኤፒፒጂ ፎር ኤርትራ ዝተባህለ ጉጅለ ፖለቲካውያን ኣባላት ባይቶ፡ \"ትግራይ ብሕጋዊ መገዲ ካብ ኢትዮጵያ እንተተፈልያ መንግስቲ ብሪጣንያ ነታ ሓዳሽ ሃገር ትግራይ ኣፍልጦ ክህባ ንጽውዕ\" ዝብል መልእኽቲ እውን ነይሩዎ። ይኹን እምበር ክሳብ ሕጂ መንግስቲ ክልል ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ክንፍለ ኢና ዝብል ሓሳብ ኣየውጽአን። ኵናት እንተቐጺሉ፡ ሞትን ዕንወትን ክስዕብን ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት ከጋጥሞ ስለዝኽእል ብዝቐልጠፈ ብፖለተካዊ ዘተን ልዝብን ክፍታሕ ዝጽውዑ ሓይልታት ብዙሓት እዮም። ናብ ሮቡዕ 04 ጥቅምቲ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ፡ ህወሓት ኣብ መቐለን ክልል ትግራይን ዓስኪሩ ኣብ ዝነበረ ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈተ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ከሲሱ። ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ከኣ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሕግን ስርዓትን ከኽብሩ መምርሒ ሂቡ። ካብ ሽዑ ክሳብ ሕጂ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኩናት ይካየድ ከምዘሎ ክልቲኦም ወገናት ሓቢሮም ዝርዝር መግለጺ ግን ኣይሃቡን። ብሰንኪ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩናት ከኣ ደላይ ሰላም ሕብረተሰብ ዓለም ክልቲኦም ወገናት ብዝቐልጠፈ ናብ መኣዲ ዘተ ክምጽኡ ይጽውዑ ኣለው። እቲ ደብዳበ ዝጸሓፈ ኦል-ፓርቲይ ፓርላሜንታሪ ግሩፕ ዝበሃል መን እዩ? ኦል-ፓርቲይ ፓርላሜንታሪ ግሩፕ (An all-party parliamentary group - APPG) ብዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ኣባላት ባይቶ ሃውስ ኦፍ ኮመንስን ሃውስ ኦፍ ሎርድስን ዝቖመ ጸግዕን ወገንን ከይሓዘ ንፖለቲከኛታት እታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ንዘጋጥም ነገራት ዘረድኡን ነቲ ብደሆታት ዝገጥም ፖሊሲ ንክወጽእ ዝደፍኡን ዝጸልውን ምኩራት ፖለቲከኛታት ዓባይ ብሪጣንያ እዮም። እዞም ኣብ ንጡፍ ስራሕ ፖርቲ ዘየለዉ ኣገልግሎቶም ዝፈጸሙ ካብ ንጡፍ ስራሕ ዝተኣልዩ ፖለቲከኛታት፡ ኣብቲ ዝውደብ ኣኼባኦም ንግዱሳት መሻርኽትን ምኒስተራት ጸዊዐም ድምጾም ክህቡን ኣብ ኣገዳሲ ነገር ምጽራይ ንኽግበር ዝጸልውን ፖለቲከኛታት እዮም።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54839345"} {"headline":"ሎሚ ቅድሚ ቀትሪ ነፈርቲ ኲናት ኣብ መቐለ ደብዲበን","content":"ሎም ረፋድ ቅድሚ ቐትሪ ነፋሪት ኩናት ንከተማ መቐለ ከምዝደብደበት ሪፖርተር ቢቢሲ ካብቲ ቦታ ጸብጺቡ። እቲ ቦምባ ኣብ ጥቓ ነባር ስታድዮም ባሎኒ ኢዩ ወዲቑ። ዛጊድ ብዝተረኽበ ሓበሬታ ናይ ሓደ ሰብ መቑሰልቲ ከምዘጋጠመ መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም። ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ኣገልግሎት ባንክ ብምጅማሩን መዓልቲ ዕዳጋ ሰኑይ ብምዃኑን ብርክት ዝበለ ህዝቢ ኣብቲ ኸተማ ዋኒኑ ንምስላጥ ይንቀሳቐስ ምህላው ሪፖርተርና ሓቢሩ። ኣብ ደቡባዊ ቦታታት ትግራይ ኣብ ግንባር ራያ ኣላማጣ ትርር ዝበለ ኩናት ይካየድ ምህላው ጸብጻባት ይሕብሩ። ብዛዕባ ኣብ ሰብን ንብረትን ዝወረደ ዕንወት ግን ዛጊድ ዝተነግረ የለን። ናብ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውገሐ ለይቲ፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ፡ ናብ ቀዳም ኣብ ዘውገሐ ለይቲ ከኣ ኣብ ከተማታት ጎንደርን ባህርዳርን ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ይዝከር። ወሃቢ ቃል ማእከላይ ካማንድ ምክልኻል ሓይልታት ትግራይ፡ ጌታቸው ረዳ፡ ሰራዊት ኤርትራ፡ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ተሰሊፎም ይወግእዎም ምህላዎም ብምግላጽ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተመረጹ ከባቢታት መጥቃዕቲ ከምዝፍጸም ኣጠንቂቑ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ቅድሚኡ እውን ኣብ ትግራይ ደብዳብ ነፈርቲ እንተቐጺሉ ነፍሲ ወከፍ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዒላማ ክኸውን ከምዝኽእል ተዛሪቡ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ኣብ ጥቓ ከተማ መቐለ ተኸታተሊ ደብዳብ ከምእተኻየደን፡ ኣራጉራ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ 28 ኪሎሜተር ካብ መቐለ ሓንቲ ነፋሪት ተወቒዓ ከምዝወደቐት መንግስታዊ ሚድያታት ክልል ትግራይ ሓቢረን ነይረን። መንግስቲ ፈደራል ግን ንምውዳቕ እታ ነፋሪት ነጺጉዎ። ብሳልሳይ ወገን እውን ኣይተረጋገጸን። እቲ ግጭት ካብ ዝኽሰት ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ክልል ትግራይ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝተኻየደን ሰላማውያን ሰባት ከምዝተጎድኡን መራሕቲ እቲ ክልል ገሊጾም ነይሮም። ዶክተር ኣቢይ፡ ከበድቲ ኣጽዋራት ውግእ ንምዕናው ደብዳብ ነፈርቲ ከምዘካይድን ሲቪል ከይልከሙ ኣብ ከተማታት ተኣኪቦም ከይንቀሳቐሱን ኣጠንቂቑ ምንባሩ ይዝከር። መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም። ብለበዳ ኮቪድ-19 ብዝተናውሐ ምርጫ እውን ተሰሓሒቦም። ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ ምርጫ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ምርጫ ኣካይዱ። ዶ\/ር ኣቢይ እቲ ምርጫ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ። ብድሕር'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም። ብ03 ሕዳር ከኣ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ምስ ዝነበረ ናይ ሰሜን እዝ ጎንጺ ተኸሲቱ። ዶክተር ኣብይ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝተወስደ ስጉምቲ ብምኹናን፡ ሕጊ ንምኽባር ብዝብል ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ። ኣብ ትግራይ ዝጸንዕ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ህጹጽ ግዘ'ውን ኣዊጁ። ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ እውን ንመንግስቲ ህወሓት ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዝሸይም ሓቢሩ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54959650"} {"headline":"ናይጀርያ፡ ብብዙሕነት ብሄራት ዝተኸፋፈለት ናይጄሪያ ሓድነታ ሓልያ ክትቕጽል ትኽእል'ዶ?","content":"ናይጄሪያ፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብሪጣንያ ናጻ ካብ እትወጽእ 60 ዓመት ገይራ ኣላ። ግንከ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ዘሎ ብዙሕነት ብሄር ብሄረሰባት ከመይ ኣቢልካ ናብ ሓደ ክመጽእን ዕግበት ክህልዎን ምግባር ይከኣል? ናይጄሪያ፡ ኣብ መጀመርታ ዓሰርተ ዓመታት ናጽነታ ሰንከልከል ዘብል ዝነበረ ጸገም ከይተናገፈት 60 ዓመት ኣቑጺራ'ላ። ሓያል ሞገት ካብ ዘለዎም ሃገራዊ ክትዓት፡ ኣየናይ ብሄር መዓዝ፣ ኣበይን ብኸመይን ጎሊሑ ይውጻእ ወይ ከኣ፡ እቲ ሓደ ምስቲ ካልእ ምውድዳር ገዲፍና ብኸመይ ብማዕረ ንሕዞ? ዝብል እዩ። መንግስቲ ናይጄሪያ፡ ቅድሚ 40 ዓመት'ዩ ማዕርነት ብሄራት እታ ሃገር ንምሕላው ዘኽእል ፖሊሲ ኣላልዩ። እንተኾነ፡ እታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ምክፍፋልን መረረትን እዩ መሪሑዋ። ኣብ ናይጄሪያ ልዕሊ 300 ብሄራት ኣለው። እታ ሃገር 36 ግዝኣታት ዘለዋ ኮይና፡ ኣቡጃ ድማ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር እያ። ኣብ ደቡብ ምብራቕ ዝርከቡ ብሄሰረብ ኢቦ፣ ኣብ ደቡብ ምዕራብ ዝርከቡ ብሄረሰብ ዮርባን፡ ኣብ ሰሜን ዘለው ሃውሳን እቶም ዓብለልቲ ብሄራት እታ ሃገር እዮም። እዞም ብሄራት፡ ቅድሚ ብሪጣንያ ናብ ሓደ ጠርኒፋ ፌደራላዊ ስርዓት ክኽተሉ መገዲ እተርእዮም ዝተፈላለዩን ነንሕደሕዶም ዝቓለሱ ዝነበሩ እዮም ነይሮም። ንስልጣን ዝግበር ውድድር ወይ ድማ ማዕርነትና ኣይተሓለወን ዝብል ቁጥዐ ብዙሕ ግዜ ቅትለትን ዘረፋን፣ ዓመጽን ናዕብን ንክለዓል ምኽንያት እናኾነ ጸኒሑ። ካብ 1967 ክሳብ 1970 ኣብ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ኣእቲዩዋ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ፡ ብሄረሰብ ኢቦ ካብ ናይጄሪያ ናጽነቶም ኣዊጆም ባያፍራ ዝተባህለት ሃገር ክምስርቱ ይቃለሱ ነይሮም። ግን ድማ ንኹሎም ብሄራት ዝሓቁፍ ኣምር \"ፌደራላዊ ስርዓት\" ዝሰብኽ ሕገ መንግስቲ ብ1979 ክጸድቕ ብምግባር ሓደ ኮይና ንምቕጻል ጻዕሪ ትገብር። እዚ ሕገ መንግስቲ፡ \"ብዙሕነት ቋንቋ፣ ብሄር፣ ሃይማኖትን ከባብን ናይጄሪያ\" ዘንጸባርቑ ትካላት ንምህናጽ'ውን ዕላማ ዝገበረ እዩ። ኣብ መጀመርታ፡ እዚ ንኹለን ክፋላት እታ ሃገር ተስፋ ዝሃበን ናብ ሓደ ክመጽኡ ስምዒት ዘሕደረን'ዩ ነይሩ። ይኹን'ምበር፡ እዚ ጉዳይ ናይጄሪያ ብዝኸፍአ መልክዑ ክትከፋፈልን ክትዓኑን ገይሩ'ዩ ኢሎም ብዙሓት ናይጄሪያውያን ይቃወሙ። ጋዜጣታት እታ ሃገር ወትሩ \"ፌደራላዊ ምሕደራ ንናይጄሪያ መርገም'ዩ\" \"ፌደራላዊ ስርዓት የብቅዕ\" ዝብሉ ኣርእስታት ዘለዎም ሕታማት ሒዘን እየን ዝወጽኣ። ገሊኦም፡ ፌደራላዊ ስርዓት ነቲ ዝጸንሐ ኣብ ሞንጎ ኣብ ሰሜን ዘለው እስላምን ክርስቲያን ደቡብን እታ ሃገር ዘሎ ዘይማዕርነታዊ ዕድል ትምህርቲ ከመዓራሪ ኣይከኣለን ኢሎም ይነቕፉዎ። እዚ ፍልልያት ምስ ካልኦት ተደሚሩ ከም ሃይማኖት፣ ባህሊ፣ ድሕሪ ባዕዳዊ መግዛእቲ ተግባራዊ ዝኾኑ ፖሊሲታት፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ድማ መጥቃዕታት ዕጡቕ ጉጅለ ቦክሓራም ክፈጥር ክኢሉ። ከም ጸብጻብ ዩኒሴፍ፡ ናይጄሪያ ናብ ቤት ትምህርቲ ዘይኸተቱ 13 ሚልዮን ህጻናት ኣለውዋ። እዚ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ እዩ። ካብዚኦም እቶም ልዕሊ 69 ሚእታዊት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዝቕመጡ እዮም። በዚ ምኽንያት፡ እቲ ዞባ ኣብ ናይጄሪያ እቲ ዝተሓተ መጠን ምንባብን ምጽሓፍን ዝኽእሉ ሰባት ዝርከብሉ ኮይኑ ይርከብ። ብተወሳኺ፡ እቲ ዞባ ካብ 200 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ናይጄሪያ ነቲ 90 ሚልዮን ህዝቢ ሒዙ ይርከብ። ካብ 36 ግዝኣታት ናይጀርያ ንኣቡጃ ሓዊሱ፡ እተን 20 ግዝኣታት ኣብቲ ዞባ ይርከባ። እዚ ዞባ ምስ ካልኦት ዞባታት ክነጻጸር እንከሎ፡ ቑጽሪ ኣብ ትካላት መንግስቲ ዕድል ስራሕ ዝረኽቡ ተወለድቲ እቲ ከባቢ ዝተሓተ እዩ። \"ኣዝዩ ብዘሕዝን መልክዑ 'ፌደራላዊ ባህሪ' ብቑዓት ዘይኮኑ ሰባት ኣብ መንግስታዊ ስራሓት ንክዋፈሩ ዝገበረ ቃል ሽፋን እዩ\" ይብል ምኽትል ፕሬዝደንት ሰኔት ናይጄሪያ ዝነበረ ኢኬ ኢክወሬማዱ። \"እዞም ሰራሕተኛታት ፍርያምነት ክንኪ፣ ህዝባዊ ኣገልግሎት ክደክምን መወዳእትኡ ኣታዊ ዘይርከቦ ክኸውን ገይሮም'ዮም\" ኢሉ። እዞም ብቑዓት ዘይኮኑ ነቶም ብብቕዓቶም ክሰርሑ ዝኽእሉ ሓሊፎም ዕብየት ዝረኽቡ ስለ ዝኾኑ፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ብሄራት ዝርአ ምስሕሓብ መብዛሕትኦም ተወላዲ ብሄሮምን ዘመዶምን ዝኾነ ሰብ ክመጽእ ብምግባር ይንጸባረቕ። ሰሜናውያን፡ ኣብ ውሽጢ 60 ዓመታት ዕድመ ናጽነት ናይጄሪያ 38 ግዜ ዝመርሑዋ ኮይኖም መብዛሕትኡ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ዝሓዙዎ እዩ። ብዙሓት ናይጄሪያውያን፡ ገሊኦም መሳርሕቶም ብቐሊሉ ዘመድ ስለ ዘለዎም ጥራሕ ተረባሕቲ ክኾኑ እናርኣዩ ጻማ ጻዕሮም ከም ዘይረኽቡ ክዛረቡ ኢኻ ትሰምዖም። ዳርጋ በብዓመቱ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት፣ ጋዜጣታትን ፓርላመንታዊ ክትዓትን ናብ መንግስታዊ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዘእቱ ነጥቢ ክጎድል ኣለዎ ዝብሉ ክትዓት ይልዓሉ። ኣብ ሰሜን ናይጄሪያ ኣብ ዘለዋ ገለ ግዝኣታት ዝመጽኡ ተመሃሮ፡ ካብ 200 ነጥቢ ክልተ እንተኣምጺኦም ክሓልፉ ክፍቀደሎም እንከሎ፤ እቶም ካብ ደቡብ ዝመጽኡ ተመሃሮ ብውሑድ 139 ነጥቢ ክረኽቡ ትጽቢት ይግበር። 'ተነቃፊት ብልጽቲ ጋንታ' ብሉጽ ርእሲ ናይጄሪያውያን ብትምህርትን ብቕዓትን ሃገሮም ንቕድሚት ንምስጓም ዕድል ረኺቡ ኣይፈልጥን። ኣብ 2015፡ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ናይጄሪያ ናይ ትሕቲ 17 ዓመት ንሓምሻይ ግዜ ክትዕወት እንከላ፡ እታ ሃገራዊት ጋንታ ብዙሕነት ይሓጽራ ከም ዝነበረ ብምግላጽ መንቀፊ እቲ 'ፌደራላዊ ስርዓት' ኮይና ነይራ። ቅድሚ እቲ ጸወታ፡ ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ኢማኑኤል ኣሙንኬ ተጻወትቲ እታ ጋንታ ካብ ትውልዲ ዓዱ ደቡብ ምብራቕ ናይጄሪያ ጥራሕ ዝመጽኡ ገይሩዎም ተባሂሉ ሓያል ነቐፌታ ይበጽሖ ነይሩ። ንሱ ግን ብሉጻት ዝበሎም እምበር መን ኣበይ ተወሊዱ ዝብል ቖጺሩ ዝገበሮ ከም ዘይኮነ ተዛሪቡ። ገለ ናይጄሪያውያን 'ፌደራላዊ ምሕደራ' ሃገራዊ ሓድነት ከምጽእ ከም ዘይክእል ብምግላጽ ምምሕያሽ ዘድልዮ እዩ ይብሉ። ነዚ፡ ኣብ ኩለን ክልላት ናይጄሪያ ብቑዓት ዝኾኑ ሰባት ስለ ዘለው ኩሎም ተደሊዮም ክመጽኡ ድማ ይጠልቡ። ግንከ፡ ኣብ ዓለም ኣብ ብዙሓት ዓውድታት ምስጉናትን ብፍልጠቶም ብቑዓትን ዝኾኑ ናይጄሪያውያን ካብታ ብትምህርቲ ዝተገለለት ሰሜን ዝወጽኡ እዮም። \"ኣብ ኩሎም ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ካብ ኩለን ክልላት ዝመጽኡ ናይጄሪያውያን ክህልው ኣለዎም ኢለ ይኣምን\" ይብል ኣመሓዳሪ ብሄራዊ ባንኪ ዝነበረ ላሚዶ ሳኑሲ። \"ግን ድማ እቶም ሰባት ዓቕሚ ዘለዎም ክኾኑ ይግባእ\" ኢሉ። ፕሬዝደንት መሓመድ ቡሃሪ፡ ንፖሊሲ 'ፌደራላዊ ባህሪ' ዕሽሽ ክብሎ እንከሎ፡ ካብ ተቓወምቱ ተደጋጋሚ ነቐፌታ ዝበጽሖ መራሒ እዩ። ምኽትል ፕሬዝደንት ሰኔት ናይጄሪያ ዝነበረ ኢኬ ኢክወሬማዱ ኣብ 2018 ኣብ ባይቶ እታ ሃገር \"ምስ ዝኾነ ክፋል ናይጄሪያ ጸገም የብለይን፤ ግን ድማ መንግስቲ ብዝኽተሎ ናይ ሽመት መገዲ ዕጉብ ኣይኮንኩን\" ኢሉ ነይሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ካብ 20 ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቶም 17 ብመሓመድ ቡሃሪ ዝተሸሙ ኮይኖም፡ ካብ ሰሜን ዝመጽኡን እቶም 16 ድማ ከምኡ እስላም ዝኾኑን እዮም። ካብ 21 ሓለፍቲ ፖሊስ እቶም 15 ሕጂ'ውን ካብ ሰሜን ዝኾኑን እቶም 16 ድማ እስላምን እዮም። ብዛዕባ እዚ ዝተሓተተ፡ ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ፕሬዝደንት ጋርባ ሼሹ፡ \"ኣብ ወተሃደራዊ ክፍሊ ንዘይእመኑ ሰባት ቦታ ክትህብ ይክኣል ድዩ?\" ብማለት'ዩ መልሲ ሂቡ። ኣብ ሓደ እዋን ደጋፊ ፕሬዝደንት መሓመድ ቡሃሪ ዝነበረ፡ ፕሬዝደንት ነበር ኦባሳንጆ፡ ቡሃሪ \"ነቲ ብዙሕነት ብስርዓት ኣይሓዞን\" ክብል ዝነቐፎ ኮይኑ፡ ኣብ ታሪኻ ዝተኸፋፈለት ንክትኸውን ተሓታቲ እዩ ክብል ነቒፉዎ'ዩ። ተሸላሚ ኖቤልን ደራስን ዎሌ ሾኒካ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ተመሳሳሊ ርኢይቶ ሂቡ ነይሩ። እንተኾነ፡ ኣፈኛ መሓመድ ቡሃሪ፡ ኣብ ሕሉፍ ዝነበሩ ምምሕዳራት'ውን ተመሳሳሊ ነቐፌታ ይቐርበሎም ነይሩ እዩ ዝብል። \"ኣብ ቤት ጽሕፈት እንድሕር ዘይኮንካ፡ ናይ ካልኦት ድኽመት ይርኣየካ። ኦባሳንጆ ኣብ ስልጣን እናሃለወ፡ ካብ ደቡብ ምዕራብ ዝመጽኡ ሰባት ጥራሕ ይሸይም ኣሎ ተባሂሉ ይንቀፍ ነይሩ\" ኢሉ። ገለ ኣኽረርቲ ሓይልታት፡ ኣብ ናይጄሪያ ዘለው ጸገማት ዝፍትሑ እታ ሃገር እንተተበቲና ጥራሕ እዩ ይብሉ። ገለ ፖለቲከኛታት ድማ እቲ ስርዓት ዳግም ክውደብ ብምግባር፡ ስልጣን ማእከላይ መንግስቲ ብምልሕላሕ ግዝኣታት ዚያዳ ስልጣንን ልኡላውነትን ክረኽባ ብምግባር ናይጄሪያ ብሓድነት ክትቕጽል ትኽእል እያ ይብሉ። ዝተባህለ እንተተባህለ፡ ዕጫ ናይጄሪያ መንግስታት ንብዙሕነት እታ ሃገር ብኸመይ ይኣልዩዎ ኣብ ዝብል ዝተሞርኮዘ እዩ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54394561"} {"headline":"ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ዑደት ብምዝዛም ናብ ሃገሩ ተመሊሱ","content":"ፕረዚደንት ኤርትራ፡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደት ስራሕ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተወ ይፍለጥ። ዝነበሮ ጻንሒት ብምዝዛም ድማ ተመሊሱ'ሎ። ኣብቲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ምብጻሕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ውጽኢታዊ ዑደት ከምዝተኻየደ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሓቢሩ። ኣብ ክልትኣውን ዞባውን ጉዳያት ዘድሃበ ዝርርብ ከምዘካየዱ'ውን ኣፍሊጡ። እቲ ፕረዚደንት ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ጻንሒት ምስ ዛዘመ ምስ ካልኦት ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ መሰነይታ ከምዝተገበረሎም ወሲኹ ገሊጹ። ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሰኑይ ንጉሆ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደት ስራሕ ክፍጽም ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ከኣ ኣብ ኣብታ ዝኣተወላ ኣብ ክልል ኦሮሚያ እትርከብ ከተማ ጅማ ተቐቢሉዎ። እቲ ፕረዚደንት ኣብ ካልኦት ናይ ልምዓት ፕሮጀክታትን ግድባትን ከምዝበጽሐ'ውን ተፈሊጡ። ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ዘካይድ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብቲ ኣብ ሩባ ኣባይ ዝህነጽ ዘሎ ኣሰሓሓቢ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ከምዝበጽሐ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሓቢሩ። እዞም ክልተ መራሕቲ ድሕሪ እቲ ታሪኻዊ ዕርቀ ሰላም 2018 ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብቐጻሊ ክራኸቡ ጸኒሐም ኣለው። እቲ ዕርቂ ወጥሪ ዶባት 20 ዓመት ፈቲሑ ሰላም ስለዘምጽአ ንውሑድ እዋን እውን ይኹን ተፈላልዩ ዝጸንሐ ህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት ብምድርን መንገዲ ኣየርን ስለዘራኸበ ዓቢ ተስፋ እዩ ሰፊኑ ነይሩ። እቲ ስምምዕ ሰላም ኣብ ዝፍጸመሉ ዝነበረ እዋን ብወገን ኤርትራውያን ንትካላዊ ኣሰራርሓን ኣተሓሕዛን ብዝምልከት ብዙሓት ሕቶታት ይለዓሉ ነይሮም። እንተኾነ ምስ ግዜ ክመሓየሹን ክምለሱን እዮም ብምባል ዜጋታት ዝሓሸ ምዕባለ ክርእዩ ኣብ ተስፋ ከምዝጸንሑ ተንታኒ ፖለቲካ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዓብዱራሕማን ኣቡሃሽም ይዛረብ። ዳሕራይ፡ ተኸፊቱ ዝነበረ ዶባት ምስተዓጽወን እቲ ኣብ ኤርትራ ክመጽእ ትጽቢት ዝተገብረሉ ለውጢ\/ ሪፎርም ስለዘይመጽአን ምምሕዳራውን ሕጋውን መሰረት ክሕዙ ዝነበሮም ነገራት ከይተፈጸሙ ስለዝተረፉን ግን እቲ ተስፋ ከምዝተዳኸመ የረድእ። ድሕሪኡ ዝግበር ርክብ ክልቲኦም መራሕትን ዝካየደድ ስምምዓትን ንህዝቢ ብወግዒ ስለዘይግለጽ፡ ኣብ ክንዲ ሃገራዊ ርክባት ዕርክነት ክልተ መራሕቲ ናብ ምዃን ዝዘንበለ እዩ ዝመስል ይብል። ስለዚ ኣብ ሃገራውን ዞባውን ጉዳያት ብዙሕ ትርጉም ክህልዎ ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ከምዘይብሉ ይዛረብ። ኣብ ኣሜሪካ ጆርጂያ ኮሌጅ ጉኔት መምህር ፖለቲካል ሳይንስ ዶክተር ዮሃንስ ገዳሙ ግን፡ ከምዚ ዝበለ ምብጻሕ (መገሻ) መራሒ ሃገር፡ ብላዕለዎት ሰበስልጣን ከምኡ'ውን ብኽልቲኦም መራሕቲ ተሓሲቡሉ ዝተገበረ እምበር ናይ ኣጋጣሚ ከም ዘይኮነ ይዛረብ። ዶክተር ዮሃንስ፡ ክልቲኤን ሃገራት ስምምዕ ምስተፈራረማ ርክበን ናብ ስሉጥ ቁጠባዊ ምትእስሳርን ፍሉይ ምትሕብባርን ሰጊሩ እዩ ክበሃል'ኳ እንተዘይተከኣለ፡ ውሽጣዊ ዝርርባት ከም ዘሎ ግን ይስማዕ'ዩ። \"እቲ ርክብ ናብቲ ዝድለ ደረጃ ንምብጻሕ ድማ፡ ምትእምማን ክፍጠርን ክጥንክርን ኣለዎ\" ዝብል እቲ ሙሁር ፖለቲካ፡ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ጎንጽን ምትፍናንን ዝጸንሓ ሃገራት ከም ምዃነን መጠን፡ ኣብ ሞንጎአን ምትእምማን ንምፍጣር ክዘራረባሎም ዝግብኡ ብዙሓት ጉዳያት ከምዘለዉ ይሕብር። ዓብዱራሕማን ኣቡሃሺም ግን፡ እቲ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ብተደጋጋሚ ካብን ናብን ዝገብርዎ ዑደት፡ ብወገን ኤርትራ ዘምጽኦ ለውጢ ከምዘየለ፡ መንግስቲ ኤርትራ ገና \"ምልካዊ ስርዓት\" ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎ ይዛረብ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ 'ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ንተቓወምቱ ብምዕፋንን ብምእሳርን' ኣብ ስልጣን ከም ዝርከብ ይሕበር። እቲ ርክብ ኣብ ሞንጎ ውድባት (ሰልፍታት) ፖለቲካ ዝካየድ ዘሎ እምበር ኣብ መንጎ መንግስታት እዩ ዝደካየድ ዘሎ ንምባል ኣጻጋሚ ምዃኑ ይገልጽ። ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኣሎ ንምባል ከምዝኸብድ ብምግላጽ ከኣ \"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ፓርቲ ብልጽግና'ውን ገና ቀዳማይ ሓፈሻዊ ጉባኤ'ኳ ገና ኣየካየደን\" ኢሉ። ዶክተር ዮሃንስ ግን \"እቲ ክልተኣዊ ርክብ ብዝያዳ ንኽጥንክር፡ እቶም መራሕቲ እቲ ሓደ ናብታ ካልእ ሃገር እናተመላለሱ ብምርኻብ ንምዝታይ ዝመረጹ ይመስሉ\" ክብል እቲ ዑደት (ምብጽጻሕ) ትርጉም ከም ዘለዎ የረድእ። \"ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጠር ዝኾነ ይኹን ነገር ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጽልዋ ኣለዎ፤ ኣብ ኤርትራ ዘጋጥም'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጽልዋ ይፈጥር'ዩ\" ከኣ ይብል። ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ወጥርታት ከምዘለዉ ዝገልጽ ዶክተር ዮሃንስ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ብቐረባ እንተተኸታተሎ ዝገርም ነገር ከምዘይህልዎ ይዛረብ። \"ብተመሳሳሊ ኣብ ኤርትራ'ውን ብዙሓት ጸገማት ኣለዉ፤ እንተኾነ እቲ ወጥሪ ብስፍሓት ዝረአ ኣብ ደገ ምስ ዝነብሩ 'ዳያስፖራ' ኤርትራውያን ስለዝኾነ፡ ኢትዮጵያ ብቀጥታ ርእይቶ ክትህበሉ ኮነ ክትሳተፈሉ ከቢድ እዩ\" ከኣ ይብል። እተን ሃገራት ርክበን ኣብ ዘሐድሳሉ ዘለዋ እዋን፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ረስኒ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘብጽሖ ጽልዋን ረብሓ ሃገሮምን ኣብ ግምት ብምእታው ምንቅስቓሶም፡ ትጽቢት ዝግበረሉ ጉዳይ ከምዝኾነ እቲ ምሁር ፖለቲካ ይዛረብ። \"እቲ ክለዓል ዘለዎ ሕቶ፡ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት 'ሃናጺ ብዝኾነ መገዲ ተሳቲፎም'ዶ? ዝብል ክኸውን ኣለዎ\" ይብል ዶክተር ዮሃንስ። ተንታኒ ዓለምለኸ ፖለቲካ ኣቶ ዓብዱራሕማን ኣቡሃሺም፡፡ እቲ ስምምዕ ኣብ ሞንጎ ክልተ ሃገራት ዝተፈጸመ ዘይኮነስ ናይ 'ክልቲኦም መሓዙት' ከምዝመስልን ትካላዊ ቅርጺ ከምዘይብሉን ብምግላጽ ይነቅፍ። ቅድሚ ሎሚ'ውን ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን [ኣብ መንጎ መለስን ኢሳይያስን] ከምዚ ዝበለ ርክብ ከምዝነበረ ዘዘኻኽር ኣቶ ዓብዱራሕማን፡ እንተኾነ ቀጻሊ ፍታሕ ከምጽእ ከምዘይከኣለ ይዛረብ። ስምምዕ ሰላም ክልቲኤን ሃገራት፡ ኣብ ሞንጎ ክልተ ሰባት ጥራይ ኮይኑ ምትራፉ \"ልክዕ ኣይኮነን ቀጻልነት እውን ኣይክህልዎን\" ብምባል ድማ እቲ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝኾነ ፍሉይ ዝገብሮ ነገር ከምዘየለ ይድምድም። ምሁር ፖለቲካ ዶክተር ዮሃንስ ግን \"ናይ ክልቲኦም መራሕቲ ኢድ ምጭብባጥ እኳስ ርእሱ ዝኸኣለ ትካላዊ ቅርጺ ኣለዎ\" እዩ ዝብል። ትካላዊ ቅርጺ ክበሃል ከሎ፡ ግኡዝ ህንጻታት ወይ ድማ ዝተፈላለዩ ሕጋዊ ሰነዳት ንምባል ጥራይ ከምዘይኮነ ብምሕባር ድማ፤ ብተደጋጋሚ ዝካየድ ርክብ ናይቶም መራሕቲ፡ ኣብቶም ትካላት ጽልዋ ከምዝህልዎም ይገልጽ። ንሱ ከምዝብሎ፡ ካብቲ ቀጻሊ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ ዝርከብ ረብሓ፡ ድልዱል ዝኾነ ምትእምማን ምፍጣር እዩ። \"ስለዝኾነ ነዚ ዕሽሽ ምባል ኣድላዪ ኣይኮነን\" ይብል። ኣብዚ እዋን ናይቶም መራሕቲ ርክብ፡ ትካላዊ ቅርጺ እናሓዘ ይመጽእ ስለዘሎ፡ ኣብ ህዝብታት እተን ሃገራት'ውን ብዙሕ ለውጥታት ከምዝህሉ እምነቱ ይገልጽ ዶክተር ዮሃንስ። ክልትኤን ሃገራት ኣብ ሞንጎአን ዝጸንሐ በሰላ ብቐልጡፍ ረሲዐን \"ብቀልጡፍ ናብ ርክባት ይእተዋ\" ምባል ኣጸጋሚ ከምዝኸውን ብምሕባር ድማ፡ እቲ ሕዚ ዝሓዝዎ መገዲ ቅኑዕ እዩ ይብል። ይኹን እምበር ብዙሓት ተንተንቲ ፖለቲካ ንሓንቲ ሃገር ብፍጹም ምልኪ ዓፊኑ ዝገዝእ መራሕን ኣብ ሃገሩ ለውጢ ከተኣታቱ ዝፍትን መራሒ ክህሉ ዝኽእል ርክባት ደሞክራሲያዊ መስርሕ ተኸቲሉ ናብ ህዝብን ህዝባዊ ትካላትን ብዝግባእ ክሰርጽ ቀሊል ከምዘይኮነ ክገልጹ ጸኒሐም ኣለው።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/54520157"} {"headline":"ልኡኻት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ናብ ትግራይ ክኸዱ ክፍቀደሎም ድዩ?","content":"ኣብ ሞንጎ ፌደራዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝተወልዐ ኲናት ኣስታት ሰለስተ ሰሙን ኣቑጺሩ ይርከብ። መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ዘካይዶ ዘሎ ስርሒት 'ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ' ክብሎ እንከሎ፡ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ኣፍሪቃን ማሕበረሰብ ዓለምን ግን እቲ ኲናት ዘስዓቦ ማሕበራዊ ቅልውላው ኣብ ግምት ብምእታው ክልቲኦም ወገናት ናብ ዘተ ክመጽኡ ይጽውዑ ኣለው። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ካትሪን ባይሩሃንጋ፡ ምስ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቶ ማሞ ምህረቱ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት እነሆ። ቢቢሲ፡ ኣብዚ ሰሙን ብዛዕባ ዝነበረ ምዕባለ ክንጅምር፤ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎሳ መንግስታት ፌደራልን ትግራይን ክሽምግሉ ብዝብል ሰለስተ ነባራት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኾኑ ፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት ገይሩ ከም ዝሾሞም ኣፍሊጡ ነይሩ። እቲ ኣቦ መንበር እዞም ልኡኻት ንሽምግልና ናብ ኣዲስ ኣበባ ክጉዓዙ'ዮም እንተበለ'ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ዝካየድ ዘተ የለን ኢሉ እዩ። እዚ ኣፈላላይ ካበይ ዝመጽአ እዩ? ኣቶ ማሞ፡ ኣፍሪቃውያን ኣሓትናን ኣሕዋትናን ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝተፈጥረ ኩነታት ዘለዎም ስግኣት ምግላጾም ይርድአና እዩ። እዚ ድማ ኣካል እቲ ዝተለመደ ዲፕሎማሲ ገይርና ኢና እንርእዮ። ይኹን'ምበር፡ ንሕብረት ኣፍሪቃን ነቲ ኣቦ መንበርን ዘለና ክብሪ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዚ ኣጋጣሚ ተጠቒምና እቶም ልኡኻት ብዛዕባ እቲ ዘሎ ኩነታት ክነረድኦም ኢና፤ ግን ድማ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ነቲ ሽምግልና ኣይቕበሎን። እኳ ድኣ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ነፍሲ ወከፍ እቶም ልኡኻት ክዘራረብ እዩ። ቢቢሲ፡ እቶም ልኡኻት ንክልቲኦም ኣካላት ንክሽምግሉ ስለ ዝተሾሙ፡ ናብ ትግራይ ብምኻድ ምስ መራሕቲ ህወሓት ክዘራረቡ ድልየት ክህልዎም ይኽእል'ዩ። ናብ ትግራይ ንክኸዱ ክተፍቕዱሎም ዲኹም? ኣቶ ማሞ፡ ኣቐዲምካ ዑደት እቶም ልኡኻት ምርዳእ ከድሊ'ዩ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መራሕቲ ህወሓት ንክዘራረብ ብዙሕ ጻዕሪ ገይሩ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስትር'ውን ምስ ክልል ትግራይ ኲናት ከም ዘይደሊ ብተደጋጋሚ ተዛሪቡ እዩ። ቢቢሲ፡ ኣብዚ ክኾልፈካ፤ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ንክልቲኦም ኣካላት ናይ ምዝርራብ ሓላፍነት እዩ ተዋሂቡዎ ዘሎ። ይኹን'ምበር ናብ ትግራይ ዝነበረ በረራ ተቛሪጹ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ትግራይ ብምኻድ ኣብቲ ጎንጺ ዝሳተፍ ዘሎ ካልኣይ ወገን ክረኽቦ ይኽእል ድዩ? ኣቶ ማሞ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምምሕዳር ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ኣይኮነን ሒዙዎ ዘሎ። እዚ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ እዩ። ኣብታ ሃገር ንዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ ተሓታቲ ወይ ወሳኒ ተራ ዝጻወቱ ዘለው ኣብ ቀይዲ ንምውዓል ዝግበር ወፍሪ'ዩ። ስለዚ ምስ ገበነኛታት ኣይዘራረብን። ዓላማና ናብ ፍትሒ ክመጽኡ ምግኣር ስለዝኾነ ድርድር ዝብሃል የለን። መንግስቲ'ውን እዚ መርገጺኡ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ይገልጽ ኣሎ። ከም ናተይ ርድኢት፡ ኣፍሪቃውያን ኣሕዋትና፡ ህወሓት ኢዱ ንክህብ ጸቕጢ ክገብሩ እንተኽኢሎም ውጽኢታዊ ክኸኑ እዮም፤ ተሓተትቲ ክኾኑ ይግባእ። ገበነኛታት ዘተ ዘይኮነ ፍትሒ'ዩ ዝግብኦም። ቢቢሲ፡ እቶም ልኡኻት ናብ ትግራይ ንክኸዱ እንተዘይተፈቒዱሎምን ምስ መራሕቲ ህወሓት ክዛተዩ እንተዘይክኢሎምን፡ እቲ እትብሎ ዘለኻ ከመይ ኢሉ ክሳኻዕ ይኽእል? ናብቲ ናይ መጀመርታ ሕቶይ ክምለስ'ሞ፡ እቶም ልኡኻት ንቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ኣዘራረቡ ናብ ትግራይ ክኸዱ ክተፍቕዱሎም ዲኹም? ኣቶ ማሞ፡ ኣብ ትግራይ ወተሃደራዊ ስጉምቲ'ዩ ዝውሰድ ዘሎ። እዚ ድማ ኣብ ቀረባ ክውዳእ'ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። መንግስቲ ዝገብሮ ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ኣብ ቀረባ እንተተዛዚሙ ከኣ፡ ኣብታ ሃገር ዘይምርግጋእ ኣብ ምፍጣር ኢድ ዘለዎም ኣመራርሓ ህውሓት እቲ ጎንጺ ጠጠው ንክብል ድሌት እንተሃሊዩዎም ኢዶም ክህቡ ኣለዎም። እዚ ንምግባርን ዘለዎ መርገጺ ንኣመራርሓ ህወሓት ግልጺ ንምግባርን ዝደሊ ኣካል ከኣ ናብ ትግራይ ምኻድ ኣየድልዮን። ቢቢሲ፡ ስለዚ እቶም ልኡኻት ናብ ትግራይ ክኸዱ ኣይኽእሉን? ኣቶ ማሞ፡ ከምቲ ዝበልኩዎ እቶም ልኡኻት ንቐዳማይ ሚኒስትር ክረኽቡ'ዮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጽኡ ዘለው። ንሱ ድማ ብዛዕባ እቲ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ከረድኦም እዩ። ቢቢሲ፡ መንግስቲ ፌደራል እቲ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝውሰድ ኣይኮነን ይብል። ግን ድማ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዙሓት ብምኽንያት እቲ ጎንጺ ተመዛቢሎም ኣለው። ዝተፈላለዩ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ'ውን ኣብ ጸገም ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ንምሕጋዝ ዘኽእል መገዲ ክኽፈተሎም ይሓቱ እዮም ዘለው። ይኹን'ምበር መንግስቲ እቶም ትካላት ናብቲ ከባቢ ከይዶም ንሰላማውያን ሰባት ንክሕግዝ ፍቓድ ኣይሃበናን ይብሉ። ስለምንታይ'ዩ ዘይፍቀደሎም? ኣቶ ማሞ፡ መጀመርታ፡ እዚ ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘቕንዐ ኣይኮነን። ብተወሳኺ ንኹሎም ኣመራርሓ ህወሓት ዝምልከት ዘይኮነ ንውሑዳት ኣብ ውሽጢ እቲ ሰልፊ ዘለው ገበነኛታት እዩ። እዞም ገበነኛታት ክእለዩ እንተኽኢሎም ህዝቢ ትግራይ እዩ ተጠቃሚ ዝኸውን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኻልእ ህዝቢ ክሓሊ ከሎ፡ ንህዝቢ ትግራይ'ውን ይሓልየሉ እዩ። ብዝተኽኣለ መጠን ድማ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክገብር ዝከኣለና ንገብር ኣለና። ብዙሓት ቦታታት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ምክልኻል እየን። በዚ ምኽንያት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል ትግራይ ዘድሊ ሓገዝ ንክረኽቡ ንምግባር ምስ ሕቡራት ሃገራት ብሓበር ይሰርሕ እዩ ዘሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን መቐለ ጥራሕ'ያ ኣብ ቑጽጽር ሰራዊት ምክልኻል ዘይኣተወት። መንግስቲ ድማ ናጻ ኣብ ዝወጽኡ ከባቢታት ምስ ኤጀንሲታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር ሰብኣዊ ሓገዝ ንህዝቢ ንምቕራብ መደብ ኣለዎ። በዚ ነቶም ዝተዘናበሉ'ውን ተበጻሒ ክኸውን እዩ። ቢቢሲ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰራሕተኛታት ግብረሰናይ እቲ ቀረብ ዘብጽሐሉ መገዲ ክመሓየሸሎም ይሓቱ ኣለው። መንግስቲ ድማ ከዳልወልና ኣይክኣለን እዮም ዝብሉ። ኣቶ ማሞ፡ እዚ ልክዕ ኣይኮነን። ብኽልተ መገዲ ክንርእዮ ይግባእ። መንግስቲ ናጻ ኣብ ዝወጽኡ ከባቢታትን ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ምክልኻል ዘለውን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ይሰርሕ ኣሎ። ንነበርቲ እቶም ከባቢታት መግቢ፣ መዕቖብን መድሃኒትን ንምቕራብ ድማ ምስ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ንሰርሕ ኣለና። ንኣብነት፡ ብዓርቢ መንግስቲ ኣብ ትግራይ ዘድልዩ ቀረባት ንምግንዛብ ሓደ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ትግራይ ሰዲዱ እዩ። ምስዚ ብዝተሓሓዝ ምስቶም ትካላት ብሓባር ኣይንሰርሕን እንብለሉ ምኽንያት የለን። ቢቢሲ፡ ኣብቲ ጎንጺ ሰላማውያን ሰባት ንከይጉድኡ ንሰርሕ ኣለና ትብሉ ኣለኹም። ይኹን'ምበር መጥቃዕቲ ደብዳብ ነፈርቲ፣ ሮኬትን ድሮንን ትጥቀሙ ኣለኹም። ከምዚ ዓይነት ውግእ፡ ፈሊኻ ናይ ምውቃዕ ኣካይዳ ስለ ዘይኮነ ሲቪላት ይሞቱ፣ ይጉድኡ ኣለው። ኣቶ ማሞ፡ እቲ ጎንጺ ስለ ዝኾነ ጉድአት ክበጽሕ ግድን እዩ። ይኹን'ምበር ሰራዊት ምክልኻል ንሲቪላት ዜጋታት ሓለዋ ክገብር መምርሒ ተዋሂቡዎ እዩ። መንግስቲ ድማ ናይ ዜጋታት ዓብዪ ሓላፍነት ስለ ዘለዎ እዩ እቲ ወፍሪ እዚ ዝኣክል ግዜ ክወስድ ክኢሉ ዘሎ፤ እምበር ኣብ ውሽጢ ሰሙን ክውዳእ ነይሩ'ዩ። እቲ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕታት ድማ ብቐንዱ ንወተሃደራዊ ማእከላትን ናውታት ኣጽዋርን ትኹረት ዝገበረ እዩ። ንሰላማውያን ዜጋታት ዒላማ ዝገበረ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ዜጋና እዩ። እቲ ወፍሪ ህጻናት፣ ኣረጋውያንን ካልኦት ሰላማውያን ሰባትን ብዘይጎድእ መልክዑ'ዩ ዝካየድ ዘሎ። ቢቢሲ፡ ኣብ መሬት ብዛዕባ ዘሎ ጉዳይ ሓበሬታ ምርካብን ምጽራይን ዘይምኽኣል እዚ ጎንጺ ኣጸጋሚ ክኸውን ገይሩ ኣሎ። ኩሎም ናይ መራኸቢ መገዲታት ምቁራጾምን ጋዜጠኛታት ናብቲ ቦታ ከይጉዓዙ ምግባርን እንታይ'ዩ ዝግበር ዘሎ? ዝብል ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ገይሩዎ ኣሎ። ስለምንታይ'ዩ ትግራይ ካብ ካልእ ክፋል ዓለም ክትፍለ ተደልዩ? ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ነገር ዓለም ከይትርእዮ እትደልዩዎ ነገር እንታይ'ዩ? ኣቶ ማሞ፡ ኣብዚ ጉዳይ ክልተ ነገር ከልዕል፤ ህወሓት ባዕሉ እቲ ናይ መራኸቢ ትሕተ ቕርጺ ንናይ ባዕሉ ወተሃደራዊ ስርሒት ክብል ስለዘዕጸዎ እቲ ናይ መራኸቢ መገዲ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ተቛሪጹ እዩ። ካልኣይ፡ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ስለ ዘላ ገበነኛታት መጥቃዕቲ ንከየብጽሑን ዝተፈላለዩ ኣካላት ብምልዕዓል ኣብ ካልኦት ቦታታት እታ ሃገር ዘይምርግጋእ ንከይፍጠር ንምክልኻል እቲ ሰራዊት ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል እዩ። ድሕሪ ሕጂ ከምኡ ኣይኸውንን። ምኽንያቱ መብዛሕትኡ ከባቢታት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ሰራዊትና እዩ ዘሎ። ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት'ውን ጋዜጠኛታት ናብቲ ክልል ክኸዱ ዘኽእሎም ዕድል ክህሉ እዩ። ቢቢሲ፡ ኣብ ትግራይ ይካየድ ብዘሎ ነገር ካብ ተሓተትቲ ንዘይምዃንን ካብ ግልጽነት ንምህዳምን ኣይኮነን? ኣብታ ሃገር ጎንጺ ክፍጠር ከሎ ኢንተርነት ምዕጻው ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሓድሽ ነገር ኣይኮነን። ኣብ ኦሮሚያ ዝኾነ ነገር ርኢናዮ ኢና። መንግስቲ መርመራ ከይካየድ ክደሊ እንከሎ ሰባት ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ንከይፈልጡ ናይ ምግባር ዝንባለ'ዩ። ኣቶ ማሞ፡ በዚ ኣይሰማማዕን። ከምቲ ዝበልኩዎ እዚ ወተሃደራዊ ስጉምቲ እዩ መዓልታዊ ትልምን ኣፈጻጽማ እቲ ሰራዊት ድማ ክዛረብ ኣይኽእልን። ግን ምስዚ ብዝተሓሓዝ ሰራዊት ምክልኻል ዝወስዶ ስጉምቲ ዕውት ንምግባር ዝደለዮ መገዲ ክጥቀም መሰሉ እዩ። እንሓብኦ ነገር'ውን የለን። ድሕነት እቲ ክልል ምስተረጋገጸ፣ ሕግን ስርዓትን ናብ ቦትኡ ምስተመለሰ፡ ጋዜጠኛታት ናብ ትግራይ ክኣትው ከነፍቅድ ኢና። እቲ መርመራን ተሓታትነትን ድማ ኣብ ልዕሊ ህወሓት እዩ ክኸውን ዘለዎ። ቢቢሲ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝነብሩ ተለወድቲ ትግራይ ብብሄሮም ከም ዝተኣሰሩ ይግለጽ ኣሎ። ገሊኦም ድማ ድሃዮም ኣይፍለጥን። ብተወሰኺ ብምኽንያት ብሄሮም ገዝኦም ክፍተሽን መጥቃዕቲ ክበጽሖም ከም ዝተገብረን ይግለጽ ኣሎ። እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘነጻጸረ ኣይኮነን ትብሉ እንተኾይንኩም፡ ብኸመይ'ዩ ክርአ? ኣቶ ማሞ፡ እዚ መንግስቲ ፈጺሙ ብሄር መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ኣይፍጽምን። ህወሓት'ዩ ብሄር መሰረት ዝገበረ ስርዓት ፈጢሩ። መንግስቲ ግን ኹሉ ብማዕረ መገዲ ዝተኣሳሰረሉ ራኢ ንምፍጣር እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። እቲ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ'ውን መረዳእታ ተሞርኲስና ኢና ንወስዶ ዘለና። እዚ ማለት እቶም ውልቀሰባት ዘለዎም ርክብ ብምጽናዕ ማለት'ዩ። ግን ድማ ኣብ ጎንጺ ስለ ዘለና ገበን ተፈጺሙ ክኸውን ይኽእል'ዩ ዝብል ሓበሬታ ክወጽእ ስለ ዝኽእል፡ ህዝቢ ዝጠርጠሮም ገበናት እንተሃልዮም ከፍልጥ ይግባእ። ህወሓት ብሄር መሰረት ዝገበረ ሰልፊ ስለ ዝኸነ፡ መብዛሕትኦም ኣባላቱ ተወለድቲ ትግራይ እዮም። ላዕሊ ላዕሉ ክርአ ከሎ መንግስቲ ንሓደ ወገን ዒላማ ዝገበረ ክመስል ይኽአል እዩ። ግን ድማ ኣብ ሞንጎ እቶም ሓይልታት ጸጥታ ክፍተት እንተሃልዩ መአረምታ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና። ርግጸኛ ኮይነ ዝዛረቦ ግን መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ትኹረት ዝገበረ ስጉምቲ ኣይወስድን። ቢቢሲ፡ እቲ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ውሑዳት ኣባላት ህወሓት ትኹረት ዝገበረ እዩ ትብሉ ኣለኹም። ግን ድማ ኣብ ትግራይ ዝተኸፈቱ ኩሎም ናይ ባንኪ ሕሳባት ክእገዱ ተገይሩ። ኣብ መገዲ ኣየር ብሄር ንምፍላጥ መለለዪ መንነት ንሕተት ኣለና ዝብሉ ኣለው። ገሊኦም ድማ ብምኽንያት ብሄርና በረራ ተኸሊእና ይብሉ። እዚ ምንጻል ኣይኸውንን? ኣብቲ ኲናት እንተተዓወትኩም'ውን እቲ ህዝቢ እትስእንሉ መገዲ ኣይፍጠርን? ኣቶ ማሞ፡ ሓይልታት ጸጥታ ንጹር ትእዛዝ ተዋሂቡዎም እዩ። እቲ ሓይሊ ጸጥታ ብመሰረት ዝረኽቦ መረዳእታ ስጉምቲ ንክወስድ ማለት'ዩ። ብሄርን መንነትን መሰረት ዝገበረ ዝብሃል ብቐሊሉ እንርአዮ ጉዳይ ኣይኮነን። ንኹንኖ። ተቐባልነት'ውን የብሉን። ግን ድማ፡ ንኣብነት ቅድሚ ዝተወሰኑ መዓልታት ኣስታት 50 ሽሕ ተጋሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣሲሮም ዝብል ብማሕበራዊ ሚዲያ ይዝርጋሕ ነይሩ። እዚ ልክዕ ኣይኮነን። ብመሰረት ሓበሬታ ዓቃቢ ሕጊ ምስቲ ጎንጺ ብዝተሓሓዝ ዝተኣሰሩ ትሕቲ 300 እዮም። ኩሎም ድማ ደቂ ትግራይ ኣይኮኑን። ካብዚኦም መብዛሕትኦም ዘይሕጋዊ ብረት ብምሓዝ እዮም ተኣሲሮም። ናይ ሓሶት ሓበሬታ ይዝርጋሕ ኣሎ። ሒሳብ ባንኪ ተወለድቲ ትግራይ'ውን ኣይተኣገደን። ቢቢሲ፡ መንግስቲ ባዕሉ ስኑዕ ሓበሬታ ንክዝርጋሕ ዝዕድም ኩነታት ፈጢሩ እዩ። ጋዜጠኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብነጻነት ተንቀሳቒሶም ክጽብጽቡ ኣይኽእሉን። ጋዜጠኛታት'ውን ይእሰሩ ኣለው። ኣብ ትግራይ ድማ መራኸቢታት ሙሉእ ብሙሉእ ተቛሪጾም'ዮም። ኣቶ ማሞ፡ እቲ ናይ መራኸቢ መገዲ ኣብ ትግራይ ጥራሕ እዩ ተቛሪጹ። ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል እታ ሃገር ጋዜጠኛታት ተንቀሳቒሶም ክጽብጽቡ ይኽእሉ እዮም። እቲ ሞያ ዝሓቶም ግቡእ ግን ከማልኡ ኣለዎም። ሪፖርተራት ዝተፈላለያ ሃገራት መዓልታዊ ካብ ኣዲስ ኣበባ ይሰርሑ ኣለው። ከምቲ ዝበልኩዎ እቲ ወፍሪ ምስተዛዘመ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከይዶም ክጽብጽቡ ይኽእሉ እዮም። ቢቢሲ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ መገዲ ኣየር ናይ ቀበሌ መለለዪ መንነት ምሕታት ስለምንታይ ኣድላዪ ኮይኑ? ኣቶ ማሞ፡ ንኹሉ ኣይመስለንን። ሰራሕተኛታት ድሕነት መጀመርታ ንዝተወሰኑ ሰባት መለለዪ ከርእዩ ክሓቱ ከለው፡ ዝጸንሖም ሓበሬታ ተሞርኲሶም ዝገበሩዎ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ መሰረታዊ መሰላት ብዝሕሉ መልክዑ'ዩ ተገይሩ። እዚ ኣብ ተወለድቲ ትግራይ ዘተኮረ ኣይኮነን።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/55040146"} {"headline":"መንግስቲ ትግራይ “ካብ ኩሎም ግንባራት ንዝመጽኦ መጥቃዕቲ መኪተ” ኢሉ","content":"መንግስቲ ክልል ትግራይ ካብ ኩሎም ግንባራት ንዝመጽኦ መጥቃዕቲ ከም ዝመከተ ገሊጹ። መንግስቲ ትግራይ ንሓይልታቱ፡ “ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ” ክብል ብወግዒ ይጽውዕ ምህላዉ ይፍለጥ። ንፈለማ እዋን ወግዓዊ መግለጺ ዝሃበ ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ገብረ ገብረጻዲቕ፡ \"እዚ ኹሉ ክፍላተ ሰራዊት ኣኪቦም ከምቲ ዝሓሰብዎ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰለስተ መዓልታት ንሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ሰይሮም ከምበርክኹ ኣይከኣሉን\" ኢሉ። ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ንዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ከም ዝተቐጻጸረንን ይደፍእ ምህላዉን እዩ ዝገልጽ። ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊቱ ብወገን ምዕራብ ትግራይ ንከተማ ሽረ ብወገን ደቡብ ድማ ንከተማ ኣላማጣን ጨርጨርን ከም ዝተቖጻጸሩ እዩ ገሊጹ። ወሃቢ ቃል ገብረ ገብረጻዲቕ ድማ “ብግንባር ኣላማጣ መፂኦም ንዝነበሩ” ክልተ ክፍላተ ስራዊትን ክልተ በራጊድ ኮማንዶን ሓይልታት ትግራይ ሃስያ ከም ዘውረዱሎም ገሊጹ። ወሃቢ ቃል ገብረ ገብረጻድቕ ወሲኹ፡ ‘ቦታታት ምሓዝን ዘይምሓዝን ነቲ ጠቕላላ ናይቲ ኵናት ዓወት ኣይገልፆን’ ዝበለ ኮይኑ ነፍሲ ወከፍ ውግእን ሓፈሻዊ ኵናትን ፍልልይ ኣለዎ ይብል። \"ሕድሕድ መሬት ትግራይ ክሓልፍዋ እንተለዉ: ኣጥቂዖም ደምሲሶም ኣይኮኑን ዝኣትዉ ዘለዉ። ቦታ ይኽፈተሎም ኣበይ ከምንወቕዖም ስለ ዝፍለጥ ከም ፃፀ መገዲ ሒዞም እዮም ዝኸዱ ዘለዉ\" ኢሉ። ወሃቢ ቃል ገብረ ገብረጻዲቕ \"ኣብ ዝመረፅናዮ ቦታን ግዜን ኣእቲውና” ክነጥቀዖም ኢና ዝበለ ኾይኑ፡ “ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ምስ ምሉእ ቁመንኡ እዩ ዘሎ” ክብል ተዛሪቡ። ብኻልእ ወገን፡ መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያ፡ ንሓይልታት ትግራይ ክስዕር ቀሪቡ ከምዘሎን ንሓይልታት ትግራይ ኣብ ክባ ኣእቲዉዎም ምህላዉን እዩ ዝገልጽ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ እቲ ምስ ሓይልታት ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ኵናት “ሓጺር” ከምዝኸውን እዩ ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ክገልጽ ጸኒሑ። እቲ ጎንጺ ካብ ዝጅምር ዛጊድ ልዕሊ ክልተ ሰሙናት ዘቑጸረ ኮይኑ፡ ብሰንከ’ዚ ጎንጺ ልዕሊ 31 ሽሕ ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ናብ ሱዳን ክሰግሩ ተገዲዶም እዮም። ኣመዓባብላ እቲ ኵናት መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም። ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ምርጫ ምስተናውሐ ድማ፡ ዝያዳ ተሰሓሒቦም። ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ መረፃ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ናይ ርእሱ መረፃ ኣካይዱ። ኣቢዪ ኣሕመድ፡ እቲ መረፃ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ፡ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ። ብድሕሪ'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ነንሓድሕዶም \"ዘይሕጋዊ\" እናተበሃሃሉ ክካሰሱ ጸኒሖም፡ ርክባቶም ድማ በቲኾም። ብ 03 ሕዳር ከኣ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ'ታ ክልል ዓስኪሩ ምስ ዝጸንሐ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ (እዚ ሰሜን) ከምዝተጓነጹ ተገሊጹ። ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ተፈጺሙ ዝበሎ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ 'ሕጊ ንምኽባር' ብዝብል ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ። ኣብ ልዕሊ ትግራይ ድማ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ። ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ'ውን፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዘቕውም ብምግላጽ፡ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሸይሙ። መራሕቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነዚ ውሳነ \"ክፍጸም ዘይክእል ሕልሚ ቀትሪ\" ክብሉ ነጺጎምዎ። ነቲ ሕዚ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት \"ወራር መንግስቲ ፌደራል\" እናበሉ ዝገልጽዎ መራሕቲ ትግራይ፡ ንክልተ ሰሙናት ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ምስ ፍሉይ ሓይልን ምልሻታትን ክልል ኣምሓራን ይዋግኡ ኣለዉ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55008366"} {"headline":"ቅልውላው ኢትዮጵያ - ትግራይ፡ 'ንኡሽቶ ሓወይ መድሃኒት የድልዮ'ዩ'","content":"ንኡሽቶ ሓወይ፡ ምስ ስድራይ ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ እዩ ዝነብር። እቲ ዝገርም፡ ኣብ ድሮ ምጅማር እቲ ኲናት ንስድራይ ብ 'ቪድዮ' ኣውጊዐዮም ምንባረይ እዩ። ንሓወይ ዝኸውን መድሓኒት ከም ዝልእኽን ድሓን ከም ዝኸውንን ኣውጊዕና ድማ ተፈላሊና። ሓወይ ዝወስዶም ኣፋውስ፡ ኣዝዮም ክቡራት'ዮም። ኣብ ርእሲኡ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብታ ከተማ ዘለው ፋርማሲታት ነዞም መድሓኒታት ብብዝሒ ኣይሕዙዎምን። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ንስራይ ገንዘብ ብምልኣኽ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘሎ ሰብ ንክልኣኽ ንስድራይ ዝኣተኹሎም መብጽዓ ነይሩ። እንተኾነ፡ እቲ ገንዘብ ኣውጺኦም ከይተጠቐምሉ ኩለን ጨናፍር ባንኪ ተዓጽየን። ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝርከባ ልዕሊ 600 ጨናፍር መንግስታውን ውልቀን ባንክታት ክዕጸዋ ወሲኑ'ዩ። ስለዝኾነ፡ ስድራይ እቲ ዘድልዮም ገንዘብ ኣይበጽሖምን። እቲ መድሓኒት'ውን ኣይተዓደገን። በዚ ይሻቐል። እቲ ገንዘብ እንተዝበጽሖም'ውን ነቲ መድሓኒት ክረኽቡዎ ኣይኽእሉን እናበልኩ እሓስብ። ስለ ምንታይ ናብ ትግራይ ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ጉዕዞ ነፋሪት ይኹን ካልእ መጓዓዝያ የለን። እዚ ማለት እቲ መድሓኒት ንሓወይ ዝኸውን መድሓኒት ካብ ኣዲስ ኣበባ ዘምጽኣሉ ሰብ የለን ማለት እዩ። ሰባት ካብን ናብን ዘብጽሓ ነፈርቲ ዝመላለሳሉ ሰማያት፡ ሕጂ መነሃርያ ወተሃደራዊ ጀታት ኮይኑ'ሎ። ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ዝኾነ እዋን መጥቃዕቲ ነፈርቲ ክፍጽም ስለ ዝኽእል ሰባት ብብዝሒ ከይትኣኻኸቡ ኣጠንቂቑ እዩ። እዘን ነፈርቲ፡ ኣብቲ ክልል ኣብ ልዕሊ ዝርከብ መዓስከር ዕጥቅን ስንቅን ሰራዊት እታ ሃገር ከዕንዋ ትእዛዝ ዝተዋህበን ምዃነን እውን ይጠቅስ። ብምኽንያት እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው፡ ኣብ ትግራይ ዝህሉ ምንቅስቓስ መጓዓዝያ ንርእሱ ኣስጋኢ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቲ ኲናት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ይቕጽል ከም ዘሎ ይፍለጥ። ውድብ ሕቡራት መንግስታት ከም ዝብሎ፡ ኣብ ትግራይ ብውሑድ ኣብ ሸሞንተ ከባቢታት ኲናት ኣሎ። ካብዚኦም እቲ ብፍርያት ሰሊጥ ዝፍለጥ ከባቢ ሑመራ ሓደ እዩ። እዋኑ ካብ ወራር ዕስለ አንበጣ ዝተረፈ ዘራእቲ ተኣኪቡ ናብ ነፍሲወከፍ ገዛ ሓረስታይ ዝኣትወሉ እዩ። ሑመራ ድማ፡ ካብ ጎረቤት ክልል ትግራይ ዝመጽኡ ኣምሓሩ ሸቃሎ ብብዝሒ ዝወፍርሉ ከባቢ እዩ። ሕጂ ግን ኣብ ሞንጎ መዋስንቲ ከባቢታት ክልቲአን ክልላት ዘሎ ደበና ኲናት ክፉእ ከም ዝኾነ እዩ ዝስማዕ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ብርክት ዝበላ ከባቢታት እታ ሃገር ዝርከቡ ገለ ተወለድቲ ትግራይ ድማ፡ ስርሖም ደው ከብሉ ተነጊሩዎም ካብ ስራሕ ወጻኢ ይኾኑ ከም ዘለው ይዛረቡ። ቅድሚ 10 መዓልቲ፡ እቲ ኣብ ሞንጎ መንግስታት ፌደራልን ትግራይን ዝቕጽሎ ዘሎ ኲናት ክለዓል ከሎ ኣብ ኣመሪካ መረጻ ይካየድ ነይሩ። መሬት ገና ከይወግሐ ሃንደበት ካብ ሓደ መሓዛይ ዝበጽሐኒ መልእኽቲ ግን ንኹሉ ትጽቢታተይ ዝቕይር ነበረ። \"ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዝተፈጥረ ነገር ሰሚዕኺ'ዶ? ናብ ስድራኸ ደዊልኪ ነይርኺ'ዶ?\" እዩ ዝብል። ሽዑ ንሽዑ ስልኪ ክድውል ጀሚረ፤ ግን ዝሰርሕ ዋላ ሓደ ቴሌፎን ኣይነበረን። ኢንተርነት'ውን ተዓጽዩ'ዩ። ኣነ ከይፈለጥኩ፡ ንዓይ ሓዊሱ ብአማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ትግራይ ምስ ዘለው መቕርባቶም ዘራኽበና ኩሉ ተበቲኹ እዩ። እዚ ክንደየናይ ከም ዘሻቕል ንዘይበጽሖ ሰብ ክተረድኦ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ። ሕጂ፡ ልዕሊ ኹሉ እቲ ንኡሽቶ ሓወይ'ዩ ዝናፍቐኒ ዘሎ። ክዛረብ ስለ ዘይኽእል ብሓገዘይ ወለደይ ብቪድዮ እናርኣኹ ደሃዩ ይፈልጥ ነይረ። ከጻውቶ'ውን ይፍትን ነይረ። ሕጂ ግን ዋላ'ውን ክረኽቦ እንተደለኹ ኩሉ ልዕሊ ዓቕመይ እዩ። ንዕኡ ብዝዘከርኹ ቑጽሪ ግን ኣብ ቴሌፎነይ ንዘሎ ስእሊ እናርኣኹ ነቲ ክትጻወሮ ዝኸብድ ናፍቖት የዐግስ ኣለኹ። እንተኾነ እዚ'ውን ንክጸናናዕ እኹል ኣይኮነን፤ ምኽንያቱ ድቃስ ዝኸልእ ሕማም ኣለዎ። ነዚ እናሓሰብኩ ከኣ እዚ ኲናት ቀልጢፉ ምሃድአ ዝብል ተስፋ ይገብር። እቲ ኲናት ደው ኣቢሉ ሓወይ መድሓኒት ዝረኽበሉ ዕድል ክርኢ ሃንቀው ይብል። ካብዚ ልክዕ ከምቲ ካልእ ፍጡር ሰብ ዝምነዮ፡ ኣነ'ውን ንሓወይ ብዙሕ ተምኒት ነይሩኒ። ዝሓሸ ሕክምና ንክረክብ ኣነ ናብ ዘለኹዎ ከተማ ናይሮቢ ክመጽእ ዝኽእለሉ ዕድል የመቻቹ ነይረ። ዓርሱ ክኢሉ ክንቀሳቐስ ስለ ዘይኽእል'ውን 'ዊልቸር' ክዕድገሉ ሓሳብ ነይሩኒ። ሕጂ ኩሉ ሙሉ ከንቱ ተሪፉ። ብውሑድ እዚ ኲናት ክሳብ ጠጠው ዝብል ንሓወይ ዘለኒ ሓሳባት ተገቲኡ ኣሎ። እቲ ዝኸፍአ ነገር ከኣ፡ እዚ ኲናት ነዊሕ ግዜ ዝወስድ እንተኾነ'ኸ? ዝብል ሻቕሎት እዩ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ብርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዝቐረበሉ ጻውዒት ልዝብ ኣይቕበሎን ኢሉ ኣሎ። ህወሓት'ውን እዚ ኲናት ዝሓቶ መስዋእቲ ከፊልና ክሳብ መወዳእታ ከነብጽሖ ኢና እዩ ዝብል። ስለዚ፡ እቲ ኣገዳሲ መድሓኒት ዘድልዮ ሓወይ እንታይ እዩ ክኸውን? ስድራይኸ? ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ዋጋ ጠለባት ክውስኽ ይኽእል'ዶ? ሕጽረት መግቢ እንተኣጋጢሙኸ? ስድራይ ገንዘብ ከይረኸቡ ከመይ ኢሉ ናብርኦም ክቕጽል ይኽእል? ብሱሩ ክሳብ መዓዝ? ካልእ ካብ ወጻኢ ብዝልኣኸሉ ገንዘብ ናብርኡ ዝመርሕ ስድራኸ ብኸመይ እዩ ክናበር? ብሕጂ ሕጽረት ሕሩጽ ስርናይን ነዳድን ከም ዘጋጠመ ይዝረብ ኣሎ። እዚ ኣሻቒሉኒ ኣሎ። እቲ ዝኸፍአ ማይ ዘይምህላዩ እዩ። ኣብ መቐለ ካብ 400 ክሳብ 500 ሽሕ ህዝቢ ከም ዝነብር ይግመት። ይኹን'ምበር ህዝቢ ብውሑድ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ እዩ ናይ መስመር ማይ ዝረክብ። ኣብ ሞንጎ ማይ ክትስኣን ከላ ነበርቲ ቴሌፎን ደዊሎም ብካሮሳ ማይ ክቐርበሎም ይገብሩ። ግን ህዝቢ ነዚኣ'ውን ስኢኑዋ፤ ክሳብ ሕጂ እቲ ዝተቛረጸ ኣገልግሎት ቴሌፎን ናብ ንቡር ኣይተመለሰን። ብዘይ ማይ'ከ ክንደይ መዓልቲ'ዩ ክሕለፍ? እዚ ከይኣክል፡ ትማሊ ምሸት ብመሰረት ፕሬዝደንት እቲ ክልል ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ ትግራይ ዝርከብ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተከዘ ብደብዳብ ነፈርቲ ተሃሪሙ ኣሎ። እዚ ነበርቲ ብጸልማት ክውሓጡ ዝገብር እዩ። እዚ ዘየሻቐለና ድኣ ብምንታይ ክንሻቐል? 'ጻዕዳ ክዳን' እዚ ኩሉ ሻቕሎት ዝኣክል መሲሉኩም ድዩ? ካልእ ከቢድ ነገር እውን እባ ኣሎ። ስድራይ ኣብ ዝነብሩላ ከተማ ደብዳብ ነፋሪት እንተዝፍጸምኸ? አይበሎ'ሞ ከምቲ ዝብሃል ዘሎ ከቢድ መጥቃዕቲ ነፈርቲ እንተበጽሐኸ? ቆልዓ ከለኹ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ይካየድ ነይሩ። ኣደይ ዝኾነ ሓደጋ ከይበጽሕ ደቃ ትሓብእ ነይራ። ነፈርቲ ብዝመጽኣ ቑጽሪ ኣዴታት ብቐምሸን ደቀን ይሓብኣ ነይረን። ቆልዓ እንተነበርኩ'ውን ውን ዝብሉኒ ነገራት ኣለው። ጻዕዳ ክዳን ኣይትከደኑን ክብሃል ይሰምዕ ስለ ዝነበርኩ፡ ንውሕ ንዝበለ ግዜ ኣብ ሕሊና ተሳኢሉ ከቢድ ፍርሒ ይፈጥረለይ ነይሩ። እዚ ተዘክሮ ዓብየ ካብ ኣእምሮይ ክሳብ ዝወጽእ ጻዕዳ ክዳን ኣይፈቱን። በሰላ ኲናት ቀልጢፉ ካብ ኣእምሮኻ ዘይወጽእ ምዃኑ ዝተምሃርኩሉ ሕማቕ ኣጋጣሚ። እዚ በሰላ ጥራሕ ኣይኮነን። ኣብ ዝምሃርሉ ቤት ትምህርቲ መሕብኢ ቦታ ክስራሕ ዝዝክሩ መሓዙት ኣለዉኒ። ኣብ እዋን ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ነፋሪት ኤርትራ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ደብዲባ እያ። በዚ ብዙሓት ህጻት ሞይቶም ካልኦት'ውን ቖሲሎም። እዚ፡ ኣነ ኮንኩ መሓዙተይ ክንዝክሮ ኣይንደልን። ኲናትን ሓደግኡን ንሓንሳእን ንሓዋሩን ካባና ኣርሒቑ ዝኸደ እዩ ዝመስለና ነይሩ። ኣነን መሓዙተይን ጥራሕ ኣይኮንናን በዚ ሓሊፍና። ወለድናን ኣቦ ሓጎታትናን'ውን ኣብ ዘመነኖም ዘሕለፉዎ ሕማቕ ዝኽሪ ኲናትን ደብዳብ ነፈርትን ኣለዎም። ኣብ እዋን ሃይለ ስላሰ፣ ብስርዓት ደርግ ብርክት ዝበሉ ደብዳባት ነፈርቲ ተፈጺሞም እዮም። ሓደ መሓዛይ ካብ ዘውግዐኒ ከካፍለኩም። ንሱ፡ ብ1989 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግ ደብዳብ ነፈርቲ ክፍጽም ከሎ፡ ዕሸል ነይሩ። ዓብዪ ኣዲኡ ከተዘንትወሉ ከላ ግን፡ ኣብ ጓጉኣ ሓቢኣ ፎቖዶ ጎዳጉዲ እናተሓብአት ከም ዘድሓነቶ ፈሊጡ። ኣቦ ሓጉኡ'ውን፡ ውጻእ መዓት እቲ ብ1943 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ብስርዓት ሃይለስላሰ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ'ዩ። ካብ ሓደ ኲናት ናብ ካልእ ኲናት! ተወሊደ ዝዓበኹላ ከተማ መቐለ፡ ታሪኻን ዝኽራን ካብ ኲናትን ዕንወትን ዝርሓቐ ኣይኮነን። መወዳእታ ዘይብሉ ኲናት፣ መወዳእታ ዘይብሉ ዕንክሊል። ኲናት ይመጽእ እዩ ዝብል ትጽቢት ስለ ዘይነበረና፡ ምስ ሕጹየይ ኣብ ዝመጽእ በዓል ልደት ንክንምርዖ መደብ ነይሩና። ኣነ ቅድሚ ዝተወሰነ ዓመታት ናብ ናይሮቢ ክመጽእ ከለኹ፡ ንሱ ኣብ መቐለ ተሪፉ። ሕጅስ ኲናት ዝብሉዎ ዓብዪ ፈተና'ውን ኣብ ሞንጎና ኣትዩ። እዚ ኲናት፡ ኣብ ሞንጎ ኣነን ንኡሽቶ ሓወይን፣ ስድራይን ፍቕረኛይን ኣትዩ ይርከብ። ኲናት ሕልምታት እዩ ዝምንዝዕ። ከምዚ ክብል ከለኹ ንኣቦይ ዘኪረዮ። ኣቦይ፡ ፈለኛሞ'ዩ። ንሱ'ውን ልክዕ ከማይ ኲናት ሕልሙ መንጢሉዎ እዩ። ሃንደበት ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ምስተላዕለ፡ ምስ ዓባይ ሓፍቱ ተቖራሪጹ። ክልቲአን ሃገራት ዶባተን ዓጽየን። ኣብ ሞንጎ ንሱ ኾነ ካልእ ኣባል ስድራ ብዘይፈልጦ ምኽንያት ስለ ዝሞተት፡ ሽማ ኣልዒሉ ብሽማ እናምሓለ 20 ዓመታት ሙሉእ ሰሚዐዮ'የ። ቅድሚ ክልተ ዓመት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ፕሬዝደንት ኤርትራ ዕርቀ ሰላም ኣውሪዱ ዶባት ክኽፈቱ ከለው፡ ኣብ ኣስመራ እትርከብ ጓል ሓፍቱ ክረክብ ትጽቢት ነይሩዎ። ሃንደበት ግን መለሲኦም ኩሎም ዶባት ተዓጽዮም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ምስ ኤርትራ ሰላም ክመጽእ ብዝገበሮ ጻዕሪ ኣብ ኦስሎ ሽልማት ኖቤል ክቕበል ከሎ ከምዚ ኢሉ ነይሩ። \"ኲናት ንክልዓል ውሑዳት ሰባት'ዮም ዘድልዩ፤ ንሰላም ግን ዓድን ሃገርን ክኸትት ኣለዎ። ንዓይ ሰላም ማለት ልክዕ ተክሊ እዩ። ተኽሊ፡ ቀልጢፉ ንክዓቢ ጽቡቕ ሓመድን ማይን የድልዮ፤ ሰላም'ውን ዘይወላወል ቖራጽነት፣ ትዕግስትን ቅንዕናን ይደሊ\" ኢሉ። ልክዕ ከምቲ ኩሉ ዝምነዮ ድማ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድን ዶክተር ደብረጽዮንን ሰላም ከውርዱ ባህጊ ኣለኒ። እንደተዘይኮይኑ፡ ኣብ ክንዲ ሰላም ዓሌታውነት ነጊሱ ሃገር ክትሕመስ እያ። እዚ ኹሉ ኢለ ግን ሕጂ'ውን ጉዳይ ንኡሽቶ ሓወይ የሻቕለኒ ኣሎ። መድሓኒት ክረክብ ኣለዎ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54932232"} {"headline":"ዝምድና ኤርትራን ሶማልያን ካበይ ናበይ?","content":"ፕረዚደንት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ፡ መሓመድ ዓብዱላሂ 'ፋርማጆ' ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልቲ ምብጻሕ ድሕሪ ምክያድ ሎሚ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ'ሎ። እቲ ኣብ ወግዓዊ ምፍራም ስምምዕ ደቡብ ሱዳን ድሕሪ ምስታፉ ዝመጽአ ፋርማጆ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ንሳልሳይ ግዚኡ'ዩ ናብ ኤርትራ ዝበጽሕ ዘሎ። ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከም ዝተዘራረበ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሓቢሩ። ዝምድና ኤርትራን ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያን፡ ብድሕሪ'ቲ ኣብ ሓምለ 2018 ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተፈጸመ፡ ናይ 20 ዓመታት ኩነተ-ኲናት ዘብቅዐ \"ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን\" ዝተኸሰተ'ዩ። ምብጽጻሕ መራሕቲ እንታይ ፍረ ተረኺብዎ? ድሕሪ'ቲ ታሪኻዊ ዕለት፡ ኣብቲ ዞባ ካብ ዘጋጠመ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓሳት ሓደ፡ ፋርማጆ ሃንደበት ኣብ ኣስመራ ምዕላቡ'ዩ። እቲ ሓድሽ ምዕባለ ቀልጢፉ ናብ ስሉሳዊ ርክባት ዓብዩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝተሓወሶ ስምምዕ ሰለስቲኦም መራሕቲ ኣብ ኣስመራ ፈላሚ ኣኼባ ተኻይዱ። እቲ ብ5 መስከረም 2018 ሰለስቲአም መራሕቲ ዝኸተምዎ \"ሓበራዊ ኣዋጅ ኣጠቓላሊ ምትሕግጋዝ\"፡ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ዘጠቓለለ'ዩ ነይሩ። ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር ናይቲ ዓመት ድማ መራሕቲ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ብምርኻብ ብዛዕባ \"ገስጋስ\" ኣቐዲሞም ዝበጽሕዎም ስምምዓት ተዘራሪቦም ነይሮም። መጀመርታ ወርሒ ጥሪ 2020 ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘካየድዎ ዳግማይ ስሉሳዊ ርክብ'ውን \"ናይ 2020 ኲኖኡን ዝኸይድ ናይ ሓባር ናይ ስራሕ ውጥን\" ከምዘውጽኡ ገሊጾም ነይሮም። ይኹን እምበር፡ እቲ ዝተባህለ \"ገስጋስ\" ይኹን \"ውጥን\"፡ ካብ ተኸታተልቲ ርክባት ዝሓለፈ ኣይኮነን ይብሉ ብዙሓት ተንቲንቲ። ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ፡ መራሕቲ ሃገራት ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ብዛዕባ ዞባዊ ምክልኻል ለበዳ ኮቪድ-19 ብመንገዲ መርበብ ኢንተርነት ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣይተሳተፈን። እቲ ፍጻመ፡ ኤርትራ ብዛዕባ'ቲ ውድብ ዘለዋ ዕቃበታት ዘቃልዐ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስታ ንኢጋድ እትመርሕ ዘላ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ዞባዊ ፖሊሲ ዘለዋ ፍልልይ ዘነጸረ'ዩ። ስትራተጂካዊ ፍልልያት ኤርትራን ሶማልያን ኤርትራ ኣብ 1993 ናጽነታ ብወግዒ ድሕሪ ምእዋጃ፡ ምስ ኩለን ጎረባብታ ኣይተቓደወትን። ፈለማ ምስ ግብረሽበራ ብዝተኣሳሰር ምስ ሱዳን ዝነበራ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኣብ 1994 በቲኻ፡ ድሒራ'ውን ኣብ ውግእ ኣትያ ነይራ። ድሕሪ ዓመት'ውን፡ ብጉዳይ ዋንነት ደሴታት ሓኒሽ ምስ የመን ኲናት ኣካይዳ፡ ብዓለምለኻዊ ዳንነት ድማ እተን ደሴታት ንየመን ተዋሂበን። ምስ የመን ድሒሩ ዝቐጸለ ርክብ'ውን ልሙጽ ኣይነበረን። ከምቲ ዝፍለጥ፡ ጸኒሓ ድማ ኣብ 1998 ምስ ኢትዮጵያ ን20 ዓመታት ናብ ዝቐጸለ ዶባዊ ኲናትን ኩነተ-ኲናትን ኣምሪሓ። ሕጂ'ውን እንተኾነ ጉዳይ ዶብ ናይ መወዳእታ መዕለቢኡ ኣይረኸበን- ዋላ'ኳ ኢትዮጵያ ንብዪን ኮሚሽን ዶብ በዘይቅድመ ኩነት ከም ዝተቐበለቶ እንተገለጸት፡ ንባድመ ጎቢጣ ሒዛቶ ትርከብ። ምስ ጂቡቲ'ውን ከምኡ ኣብ 2009 ክሳብ ግጭት ናብ ዝዓረገ ዶባዊ ምስሕሓብ ኣትያ። በዚ ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ፡ ፈለማ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን የመንን ብ'ሰንዓ ፎረም' ዝፍለጥ መድረኽ ብምፍጣር ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ንዝቃወሙ ወገናት ክድግፋ ጀሚረን። ኤርትራ'ውን፡ ንተቓወምቲ ሱዳንን ኢትዮጵያን ክትድግፍ ጸኒሓ'ያ። ድሒሩ ድማ፡ ጂቡቲን ሶማልያን ኣብ ዙርያ ኢትዮጵያ ዓሲለን፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳታት ክግበር ጸዊዐን፡ ሰሊጥወን ድማ። ክሳብ እቲ እገዳ ኣብ ታሕሳስ 2018 ዝለዓል፡ ኤርትራ ንጂሃዳዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ብምድጋፍን፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዘይምርግጋእ ብምፍጣርን'ያ ትኽሰስ ነይራ። ኣብ ታሕሳስ 2009 ባይቶ ጸጥታ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራ ንእስላማዉያን ዕጡቓት ኣብ ሶማል ትተሓጋገዝ ኢያ ብዝብል ክሲ እገዳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣንቢሩ። ዋላ'ኳ ነቲ ጉዳይ ከተጻሪ ዝቖመት መርማሪት ጉጅለ፡ ጭብጢ ከም ዘይረኸበት ብተደጋጋሚ ንኣርባዕተ ዓመታት እንተገለጸት፡ እቲ እገዳ ከይተላዕለ ቀጺሉ ነይሩ። መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ፡ ንኹሉ እቲ ክስታት ክነጽጎ ጸኒሑ'ዩ። ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ፡ ፈለማ ኣብ መቓድሾ ስልጣን ክሕዝ እንከሎ፡ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ወታሃደራታ ብምውፋር ዝደገፈት ኮይና፡ ኣብ 2006 ሰፊሕ በይናዊ ወታሃደራዊ ምትእትታው ኣካይዳ ምንባራ ይፍለጥ። ቅድሚ እዚ ድማ፡ ኤርትራ ብወገና ሓድነት ናይታ ብኲናት ሓድሕድ ዝፈረሰትን ዝተመቓቐለትን ሶማልያ ንምርግጋጽ፡ ንዝተፈላለዩ ጉጅለታት ሶማልያ ብምድጋፍ ጻዕርታት'ኳ ኣካይዳ እንተነበረት ኣይሰለጣን። ብፍላይ ንገለ መራሕቲ ናይቲ ኣብ መቓድሾ ስልጣን ሒዙ ዝነበረ 'ሕብረት እስላማዊ ቤት ፍርዲ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ንዝነበረ ጉጅለ ምዕቋባ ኣብ ዓይኒ ብዙሓት ኣእትዩዋ ምንባሩ ተንተንቲ ይገልጹ። ብፍላይ ምትእትታው ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብታ ሃገር፡ መቐጸልታ ናይቲ ዝነበረን ዶባዊ ምትፍናንን እዩ ብምባል \"ዘይቀጥታዊ ኲናት\" (ፕሮክሲ ዎር) የካይዳ ኣለዋ ተባሂለን ይግለጻ ነይረን'የን። ኣብ መንጎ ሶማልያን ኤርትራን ዘሎ ኲኖ ክልተኣዊ ዞባዊ (ቀርኒ ኣፍሪቃ) ምትእስሳራትን ዝሰግር ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ። ብቐንዱ ድማ፡ ምስቲ ኣብ ማእላይ ምብራቕ ብፍላይ፡ ወሽመጥ ዘሎ ጂኦፖለቲካዊ ወጥርን ምትፍናን ዝተጠናነገ ምዃኑ'ዮም ተንተንቲ ዝገልጹ። ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ዘለዎ ዝምድናታት ምስ ህልው ፖሊሲ ወጻኢ ዝምድናታት ኤርትራ ዝራጸም'ዩ። ሶማልያ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ምስ ቱርኪን ቐጠርን ዘለዋ ዝምድና ጥቡቕ ምዃኑ'ዩ ዝፍለጥ። ብኣንጻሩ ድማ፡ ኤርትራ ንቱርኪን ቐጠርን ኣንጻራ ይሰርሓ ከምዘለዋ ክትጥቅነን'ያ ትስማዕ። ብፍላይ ድሕሪ ኲናት የመን ምውልዑ፡ ኤርትራ ንቐጠር ሕቖኣ ብምሃብ፡ ምስ ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ክትጠብቕ ተራእያ። ገለ ተንተንቲ ከምዝብልዎ፡ እዚ ብቐሊሉ ዘይተዓረቕ ፍልልያት ከይኮነ ኣይተርፍን፡ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ዝምድና ካብ ምምሕያሽ ሓሊፉ ብደረጃ ኤምባሲን ኣምባሳደራትን ክዓቢ ዘይክኣለ። ድሕሪ ክልተ ዓመት፡ እቲ ዝምድና ኣብ መንጎ ክልተ መራሕቲ ዝግበር ምብጽሓት ጥራይ ተሓጺሩ ይርከብ። እዚ ናይ ሕጂ ርክብ ዝወልዶ ሓድሽ ነገር እንተልዩ ድማ፡ ኣብዚ ዝመጽእ ኣዋርሕን ዓመትን ክግሃድ ምዃኑ ዘይተርፍ'ዩ። ታሪኻዊ ርክብ ኤርትራን ሶማልያን ከም ሃገራት ኤርትራን ሶማልያን ተመሳሳሊ ኣመሰራረታ ዘለወን ኮይነን፡ ብቐንዱ ዘራኸበን ናይ ሓባር ተመክሮ ብመግዛእቲ ኢጣልያ ዝሓለፋ ምዃነን'ዩ። እተን ንሶማልያ ዝረገጻ መግዛእታዊ ኣእጋር ብሪጣንያ'ውን እንተኾና፡ ደሓርሲ \"ብሞጒዚትነት\" ኣብ ኤርትራ ዓሊበን'የን። ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኢጣልያውያን ጠቕሊሎም ምስ ወጽኡለን ከኣ 'ክንዲ ዓለምና ኣኺልና ኢና፡ ሓዳርና ክንወጽእ' ኣብ ዝበላሉ፡ ሶማልያ ቆጽሊ ተነቢሩላ፡ ኤርትራ ግን ዓቕሚ ኣዳመ-ሂዋን ኣይበጻሕክን ተባሂላ። በጺ ዘንጸርጸረት ኤርትራ ሓርነታዊ ሰውራ ኣዊጃ፡ ጉዕዞ 30 ዓመት ሓደ ኢላ ምስ ጀመረቶ፡ ጸግዒ ዝኾና ከተናዲ ግድን ኮና። እታ ድሒራ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዶባዊ ኲናት ዝኣተወት ሶማልያ፡ ኣብ ጎኒ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ደው ብምባል፡ መዕቆቢትን መተሓላለፊትን ተጋደልቲ ሰውራ ኤርትራ ኮይና ቀጺላ። ብፍላይ መራሕቲ ሰውራ ኤርትራ፡ ከም \"ዜጋታት\" ሶማልያ፡ ዲፕሎማስያዊ ፓስፖርት ተዋሂብዎም ብዘይ ጸገም ናብ ዝደለይዎ ክንቀሳቐሱ ደጊፋ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጃፓን እስቲፋኖስ ኣፈወርቂ፡ \"ፕረዚደንት ፎርማጆ፡ ነቲ ኣብ 1983 ዝተወሃበኒ ናይ ሶማል ዜግነት ኣብ ምሕዳስ ክተሓጋገዘኒ ሎሚ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ናሪታ ቶክዮ ሓቲተዮ\" ክብል ምጽሓፉ መርኣያ ናይቲ ዝተገብረሎም ምትሕብባር'ዩ ነይሩ። ብረት ኣብ ክንዲ ሰውራ ኤርትራ ኮይኖም ኣብ ምዕዳግ'ውን ከምዝተሓጋገዘት ገለ መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ይዛረቡ። ኣብ ዝኾነ መጋባእያ ዓለም ድማ፡ ሶማላውያን: ኤርትራ ናጽነታ ክትረክብ ከምዘለዋ ዲፕሎማስያዊ ጎስጓስ የካይዱ ነይሮም። ሕማቕ ዕድል ኮይኑ፡ ግን ኤርትራ ኣብ ግንቦት 1991 ሓርነታ ኣብ ዝተጓናጸፈትሉ፡ ድሮ ሶማልያ ኣብ መወዳእታ ኣልቦ ኲናት ሓድሕድ ተሸሚማ ስለዝነበረት፡ ከም መሓዙት ሃገራት ንቡር ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክምስርታ ዕድል ኣይረኸባን። ኣብዚ እዋን'ዚ ግን ዋላ'ኳ ሕጂ'ውን ተመቓቒላ እንተላ፡ ተዛማዲ ሰላም ምርካባ፡ ዲፕሎማስያዊ ኣፍደገታት ክኽፈት ተዛማዲ ዕድል ተረኺቡ'ሎ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54425522"} {"headline":"ገዲም ጋዜጠኛን ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን ኤርትራዊ ብርሃነ ወልደገብሪኤል ዓሪፉ","content":"ንጡፍ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ስደተኛታትን ገዲም ጋዜጠኛ 'ሱዳን ናው' ነበር ኤርትራዊ ብርሃነ ወልደገብርኤል ብዝሓደሮ ሕማም፡ ኣብ መበል 74 ዕድሚኡ ትማሊ 26 ጥቅምቲ 2020 ኣብ ለንደን ዓሪፉ። ብርሃነ፡ ብ7 ጥሪ 1946 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ኣብ ዓዲ ጭጉኑ ወረዳ ቖሓይን ተወሊዱ ኣብ ኣስመራ እዩ ዓብዩ። ወላዲኡ ኣብኡ ተለንተ ወልደገብሪኤል ወልደገርግሽ፣ ኣዲኡ ድማ ወይዘሮ ትበርህ ኣዳነ ኮይኖም፡ ብርሃነ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተማሂሩን፤ ሚሂሩን። ወዲ ፖሊስ ብምንባሩ ኣብ መዘናታቱ ብወዲ ሓላው ወሰን ዝፍለጥ ብርሃነ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ሰምበል ዓብዩ። ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤርትራ፡ ጎዳይፍ፡ ካምቦኒ፡ ሳንጀርጆ መንደፈራ፡ ልኡል መኮነን ኣስመራ ተማሂሩ። ላዕለዋይ ትምህርቱ ምስ ወደአ ከኣ ኣብ ደብረ ብርሃን ናይ መምሃራን ስልጠና ወሲዱ፤ ኣብ ከፋ ንሰለስተ ዓመት ምሂሩ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ'ውን ታሪኽን ትምህርትን ኣጽኒዑ። ብርሃነ ኣብ ሓምለ 2017 ምስ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ትምህርቱ ምስ ወድአ መምህር ክኽውን ድሌቱ ምንባሩ ገሊጹ'ዩ። ካብዚ ብዝብገስ፡ ኣብ ከተማ ኣቑርደት ከም ኣገልግሎት\/ ሰርቪስ ንሓደ ዓመት ኣብ ካምቦኒ ፖርት ሱዳን እውን ንሓደ ዓመት ከም ዝመሃረ ይሕብር። ብድሕሪኡ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ዜናን ባህልን መንግስቲ ሱዳን ኣብ ካርቱም ንሸውዓተ ዓመት ሰሪሑ። ካብኡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ናይ ዜናን ርክብን ኣወሃሃዲ ኮይኑ እናገልገለ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሕጽረት መግቢ ክሞቱ ምስ ጀመሩ፡ ብርሃነ፡ \"እቲ ንስደተኛታት ተባሂሉ ዝመጽእ ዘሎ እኽሎ ኣብ ስደተኛታት ኣይበጽሕን ዘሎ\" ክብል ኣብ ኦክስፎርድ ዓባይ ብሪጣንያ እትሕተም መጽሔት ረፉዩጂ ስታዲስ ምስ ጽሓፈ ብመንግስቲ ሱዳን ተኣሲሩ። እንተኾነ ድሕሪ ሓጺር እዋን ጉዳዩ ክጽናዕ ክጻረን ኣለዎ ተባሂሉ ተፈቲሑ። ዕድል ገይሩ ከኣ እታ ዓንቀጹ ዘሕተመት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበራ መጽሔት ስለ ዝተሓበበረቶ ንዓዲ ኢንግሊዝ ኣትዩ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሰዋስ ለንደን ቋንቋ ትግርኛ እናመሃረን ክሳብ ዕለተ ዕረፍቱ ንስደተኛታት ኣብ ምሕጋዝ ክነጥፍ ጸኒሑ። ብርሃነ፡ ድሕሪ ተረኽቦ ሓደጋ ላምፔዱሳ ስደተኛታት ኣብ ምድሓን ምስ ዝተዋፈረት ብትካል ሕጻናት ኣድሕን (ሰይቭ ዘ ቺልድረን) ምስ እትካየድ መርከብ ንሒደት ኣዋርሕ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብምስራሕ ሓያሎ ስደተኛታት ብምድሓኑ ሕልናዊ ሓላፍነቱ ዝተዋጽአ ሰብ እዩ። ንነዊሕ ዓመታት እትፈልጦ ተጋዳሊት መርየም ዑመር፡ ንብርሃነ፡ \"ንባህልን ልምድን ብሄራት ኤርትራ ብዕምቆት ዝርዳእ ምስ ኩሉ እምነታት ጽቡቕ ፍልጠት ዘለዎ? ለዋህ ርህሩህ፡ ህዝቢ ክጠምር ዝጽዕር ኣካብን ሓቛፍን ሰብ እዩ ነይሩ\" ክትብል ትገልጾ። ዓሊ ህንዲ ብወገኑ፡ ብርሃነ \" ንኹሎም ገዳይም ፖለቲከኛታት ኤርትራ ክዓርቕን ከላግብን ኣብ ኤርትራ ዕርቀ ሰላም ተኣዊጁ፡ መኣዲ አሕዋት ተሰሪዑ ክርኢ ዝደሊ ጻዕራም ሰብ እዩ ነይሩ\" ክብል ቀረባ ዓርክን መሓዝን ብምስኣኑ ሓዘኑ ይገልጽ። ዜና ዕረፍቱ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስተቓልሕ ብዙሓት አዕሩኽቱን ፈለጥቱን ዝተሰመዖም ከቢድ ሓዘን ገሊጾም ኣለው። ብርሃነ፡ ብምኽንያት ዓለማዊ መዓልቲ ዕቃበ ብኩናት ንዝዓኑ ንብረትን ከባባኣን፡ \"ኲናት ሰብን ጥሪትን፡ ዘራእትን ንብረትን ዘዕኑ ውሻይ እዩ!\" ብዝብል ኣርእስቲ ብ7 ሕዳር 2019 ኣብ ዝወጽአ ሕታም ቢቢሲ ትግርኛ ሙሁራዊ ርኢይቶ ሂቡ ነይሩ። ብርሃነ፡ \"ኲናት ነናይ ገዛእ ርእሱ ምኽንያትን መንቀልን ዘለዎ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን \"ብዙሓት ሰብ ረብሓ፡ ሸየጥቲ ኣጽዋር ሃገራት፡ ብቐጥታን ብኢደ ኣዙርን ንዕዳግአን ክብላ ኢደን ዝሕውሳሉን ዘጎሃህራኦን ቀዛፊ ክስተት'ዩ\" ክብል ድማ ገሊጹዎ። ነቲ ዝያዳ ንምብራህ ከኣ፡ \"ዳርጋ ኩለን እተን ኣጽዋር ዝሸጣ ኣብ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝለዓለ ጽልዋን ተሰማዕነትን ዘለወን፡ ብናይ ቀውፊ (ቬቶ) ስልጣነን ዝፍለጣ፡ ኣመሪካ፣ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ፈረንሳ፣ ሩስያን ቻይናን ነቲ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ብአዕናውነቱ ዝዛረበሉ ዘሎ፡ ሰብን ንብረትን ዓድን ዘዕኑን ዘባድምን ተተኮስቲ፡ ዘፍርያ እየን\" ብማለት፡ \" ንሓንሳብ፡ መዓስ ኮን እዩ እቲ ዝበሃልን ዝግበርን ዝሳነ\" ክብል የስተንትን። ምጉቱ ብምቕጻል ከኣ \"እቶም፡ ብኹናት ኣመኽኒና፡ ተፈጥሮ ኣይነዕኑ፣ ጫካታትን ኣግራብን ኣይነብርስ፣ ማያትን ቀላያትን ባሕርን ውቅያኖስን ኣይንበክል\" ዝብሉና፡ እቶም መናቖቲ ኣጽዋር ዝሸጡልና ሓያላን ምዃኖም ብምግላጽ፡ ፖለቲካ ዓለምና ንለባም ኣምተሉ ምዃኑ ይገልጽ። ብርሃነ እምበኣር ናይ ብሓቂ ክፉት ኣእምሮ ዝነበሮ፡ ንነገራት ኣስፍሕ ኣቢሉ ዝርኢ፡ እፈልጥ እየ ኢሉ ዘይዕበ ወትሩ ትሑትን መኽበሪ ሰብን እዩ ነይሩ ይብሉ እቶም ብቐረባ ክፈልጡዎ ዕድል ዝረኸቡ ብጾቱ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54702475"} {"headline":"ሓይልታት ጸጥታ ትግራይን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ኣብ መኸተ ኣንበጣ ወፊሮም","content":"ኣብ ክልል ትግራይ፡ ብኣንፈት ወጀራት ናብ እንደርታን ከባቢ መቐለን ንዝመፅአ ዕስለ ኣንበጣ ንምምካት ሓይልታት ፍሉይ ሓይሊ ክልልን ሰራዊት ፈደራልን ኣብ ኣሸጎዳ ብሓባር ክሰርሑ ተራእዮም። እቶም ኣብቲ ወፍሪ ዝተሳተፉ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ሰሜናዊ ዶብ ኢትዮጵያ ዓሪዱ ዝርከብ 'ሰሜን እዝ' እዮም። ኣብ ኵሓ ዝነበሩ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ትግራይ ብወገኖም፡ ብኣይስዙን ሲኖትራክን ተሳፊሮም ናብ ጣብያ ዳንዴራ ቁሸት ኣሸጎዳ ብምኻድ ነቲ ወራር ንምምካት ኣብ ጎኒ ሓረስቶት ከምዝተሰለፉ፡ ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ሪፖርተር ቢቢሲ ጸብጺቡ። ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ፡ ዝበዝሕ ዘራእቲ ስርናይ ስገ: ብርስንን ነቒፁ ምዕፃድ ዝተጀመረ እንትኾን፡ ብፍላይ ጣፍ ግን ገና ኣብ ብርኪ ምፍራይ ይርከብ። ኣብ ሰማይ ዝተዘርገሐ ጣቓ መሲሉ ዝመፅአ ዕስለ፡ ኣብ ግራት ከይዓርፍ እቶም ሓይልታት ምስ ሓረስቶት ኮይኖም ጠያይቲ ብምትኳስ: ድምፂ ጥሩምባ መካይን ብምስማዕን ኣብ ናይ ማይ ጎማ ፀፀር መሊኦም ድምፂ ብምፍጣርን ተኸላኺሎም። ኣደታት ነበርቲ ጣብያ ዳንዴራ፡ ወላ'ኳ ብሓገዝ እቶም ሰራዊት እንተተሓበና ዘራእቲ ኣብ ኣጋ ምዕፃዱ ኣደዳ ኣንበጣ ክኸውን ግን ወደቓ ኮይንወን ኣብ ግራተን ኮይነን ከቋምታ ተገዲደን ኣለዋ። ኣብ ትግራይ ብዘይካ ዞባታት ምዕራብን ሰሜናዊ ምዕራብን ኣብ ኣርባዕተ ዞባታት ዝኣተወ ኣንበጣ ከቢድ ዕንወት የውርድ ከምዘሎ መንግስቲ እቲ ክልል ይገልፅ ኣሎ። ብፍላይ ኣብ ዞባ ደቡብ ሎሚ ንቢቢሲ ርእይቶኦም ዝሃቡ ሰባት፡ ኣብ መኾኒ: ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ጣብያ ገነቴ፡ ኣብ ልዕሊ ገርሁ መሸላ ሓደጋ ከምዝወረደ ይገልፁ። መሬት ራያ ብፍላይ ብሕርሻ መሸላ ከምዝልለ: ኣብ ግራውቲ ጎጕሙ ዝነበረ ግንቦ ማሸላ ምርዳእ ይከኣል:: ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ብሓይሊ ሰብን ኣብ ዝባን መኪና ተፃዒኑ 360 ዲግሪ እናዘወረ ዝነፅግ ማሽን ብምጥቃምን ኬሚካል ይነፅግ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ እቲ ወራር ካብ ምቁጽጻር ወጻኢ ብምዃኑ፡ ህዝቢ ብብዝሓዞ ክከላኸል ተገዲዱ'ሎ። ብዙሓት መናእሰይ ናብቲ ብኣምበጣ ዝህሰ ዘሎ ከባቢታት ብምኻድ: ቀትሪ ቀትሪ ኣንበጣ ኣብ ግራት ከይዓርፍ ኣብ ምክልኻል ይሕግዙ ኣለዉ። ምስ'ዚ ብምትእስሳር ካብ ሃገሮም ወፂኦም ዝነብሩ ተጋሩ ባንክ ሒሳብ ብምኽፋት ብስም ወፍሪ \"ትግራይ ትዳመፅ ኣላ\" ገንዘብ ይእክቡ ኣለዉ። ክሳብ ሎሚ መዓልቲ ድማ ልዕሊ 603,000 ዶላር ከምዝተኣከበ ኣብቲ ኣብ መርበብ ኢንተርነት ዘሎ ሒሳብ ባንክ (ጎ-ፈንድ-ሚ') ምርኣይ ይከኣል። ብተመሳሳሊ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ገለ ኤርትራውያን እውን በቲ ዕስለ ዘራእቶም ንዝዓነዎም ሓረስቶት ትግራይ ዝውዕል ሓገዝ ገንዘብ የዋጽኡ ኣለዉ። ዛጊድ ልዕሊ 26,000 ዶላር ከምዝኣከቡ ንምርኣይ ይከኣል። እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ካብ መንግስቲ ፌደራል ናብ ትግራይ መፂኤን ኬሚካል ዝነፀጋ ነፈርቲ ከምዘየለዋ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይን ኣይተ ምክኤለ ምሩፅ ይገልፅ። ብወገን ሚኒስትሪ ሕርሻ ኢትዮጵያ ድማ: ነፈርቲ ንምልኣኽ ከምዝኽእሉን ክልል ትግራይ ዝነፅጋሉ ከባቢ ኣነፂሩ ክነግሮም ከምዝሓተቱን ከምዘይተነገሮምን ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ሚኒስትሪ ሕርሻ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣበራ ለማ ንቢቢሲ ምግላፁ ይዝከር።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54576910"} {"headline":"ኣፍካ ዘየኽድን ኤርትራዊ ስውእ ተጋዳላይ ተስፋይ ወዲ ባይረ","content":"ስርዓት ደርግ ኣብ 1974 ንንጉስ ሃይለስላሴ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ኣወጊዱ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ኣብ ኤርትራ ተባሪዑ ዝነበረ ቃልሲ ናጽነት ንኺቖጺ፡ “ኩሉ ዓቕምና ናብ ሰሜን ጦር ግንባር፡ (ሁሉም ነገር ወደ ሰሜን ጦር ግንባር) ብምባል፡ ኣሎ ዝበሃል ሰራዊቱን ሓጻውኑን ኣኽቲቱ ንኤርትራ ዘመተ። ሽዑ ውድባት ህዝባዊ ግንባርን ተሓኤን ንኣስመራ ከቢበን ከቢድ ኩናት የካይዳን ንውሽጢ ከተማ ኣትየን ዝተፈላለየ ወተሃደራዊ ንጥፈታት የካይዱ ስለዝነበሩ፡ ከተማ ኣስመራ ብተኹሲ ተናዊጻ እያ ትሓድር ነይራ። እቲ ንርእሰ ከተምኡ ተቖጻጺሩ ናጽነቱ ክእውጅ ዝደሊ መውጽኢ ሓራ ሰራዊትን እቲ መግዛእቱ ከጽንዕ ዝቃለስ ናይ ደርግ ሓይልን ኣብ ከቢድ ቁሩቁስ ስለዝነበሩ ከኣ፡ እቶም ኣብ ኩናት ስዕረት ዘጋጥሞም ዝነበረ ወተሃደራት ‘ዘይ ኩሎም ሓደ እዮም’ ብምባል ኣብ ሰላማዊ ህዝቢ እታ ከተማን ከባቢኣን ከቢድ ግፍዒ ይፍጽሙ ነይሮም። ሽዑ ከቢድ ዕግርግር ስለዝነበረ እቲ እዋን ንባዕሉ ‘ብዘበነ ዕግርግር’ እዩ ዝዝከር። ንቡር ሰላማዊ ህይወት ህዝቢ ተዘሪጉ፡ ኩሉ ዕግርግር እዩ ዝብል። ኣስመራ ከም ሽዑ ተረቢሻ ኣይትፈልጥን። ሰዓታት እቶ እቶ ተኣዊጁ ህዝባን መንእሰያታን ተናዊጾም። ጦር ሰራዊት “ወንበዴታት ንከተማ ኣትዮም ሓዲሮም” እናበሉ፡ ኣብ ፈቐድኡ ኣባይትን ገዛውትን እናፈተሹ፡ ዓፋኝ ዝተሰምዩ ጉጅለ ቀተልቲ፡ ህዝቢ ከርዕዱን ክድህሉን ነንዝጠርጠሩዎ መንእሰይ ይኣስሩን ብጃምላ ይርሽኑዎን ነይሮም። ኣብ ፈቐዶ ጎደናታት ኣስመራ፡ ብስልኪ ዝተሓንቁን ብጥይት ዝተቐትሉን መናእሰያት ምርኣይ ንቡር ኮይኑ። ውላዳ ከይመጽአ ዝሓደረት ስድራ፡ ኣንጊሃ ናብ ሕክምና’ያ ትጎዪ። ምኽንያቱ እቶም ኣብ ፈቐድኡ ጎደናታት ዝተቐትሉ መንእሰያት፡ ናብ ሆስፒታላት እዮም ብመካይን ጽዕነት ዝጓረቱ። ብዙሓት ብዝወጽኡዎ ዝጠፍኡ ደሃዮም ከይተሰምዐ ዝተሰወሩ ኣሽሓት ስለዝኾኑ፡ ሬሳ ውላዳ ኣለልያ ክትቀብር ዝኸኣለት ስድራ ከም ዕድለኛ እያ ትቑጸር ነይራ። ህይወት ኣስመራ መሪሩን ዓርዒሩን። ኣብ ርእሲ እቲ ኩናት እታ ከተማ ብኹሉ ኩርናዕ ስለዝተኸበት፡ ሕጽረት ሃለኽቲ ነገራት ኣጋጢሙ ቁጠባዊ ቅልውላው ዓሪጉ። ብዙሓት ስድራ-ቤታት ነናብ ትውልዲ ዓደን ሃዲመን። ኣብቲ እዋን እቲ ስድራ-ቤታት ኤርትራ ንመንእሰያት ደቀን፡ ኪዱ ሞት ብሞቱስ ምስ አሕዋትኩም ተቓሊስኩም ንሃገርኩም ተሰውኡ ኢለን መሪቐን ኣስኒቐን አዕጢቐን የፋንዋ ምንባረን ኣብ ፈቐድኡ ዝዕለል ዘረባ እዩ። ኣብቲ እዋን እምበኣር መንእሰያት ኤርትራ፡ ነቲ ብግፍዒ ዘናወጾም መግዛእታዊ ስርዓት ብብረት ክገጥሙ፡ እግሮም ብዘዝመርሖም በብዝሰለጦም ብሎኮ እናወጽኡ፡ ናብ ተሓኤን ህዝባዊ ግንባርን ይፈሱ ነይሮም። ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ሰለስተ ዝኾኑ ድልዱላት፡ ኣፋሩ መንእሰያት፡ “ክንጋደል ኢና መጺእና’ሞ ክተቡና” ክብሉ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዓሪደን ናብ ዝነበራ ኣሃዱታት፡ ናብ ሓይሊ በርሀ ጻዕዳ ጋንታ ተኽለብርሃን ሓንኪሽ መጽኡ። “ህዝባዊ ሓይልታት ታዕሊም ጠጠው ኣቢሉ እዩ - ኣይንቅበልን ኢና ኪዱ ተመለሱ። ምኽታብ ምስተጀመረ ትመጽኡ” ኢሉዎም ሓንክሽ። “ኣይንምለስን” ኢሎም እቶም መንእሰያት። ኣብ ኣስመራ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ይርእዩ ምንባሮም፡ ሞት ብሞቱ ምስ ኣሕዋቶም ኣብቲ ንናጽነት ዝካየድ ዝነበረ ተጋድሎ ክስውኡ ብምድላይ። “እሞ ሕጂ ሓደስቲ ክንቅበል ዓቕሚ የብልና፡ ትኸዱ” ምስ ተባህሉ፡ “ኣይንኸይድን” ኢሎም ኣቕቢጾም። እንተተሪርናስ ክቕበሉና’ዮም ኢሎም ካብ ምሕሳብ። እቲ መራሕ ጋንታ ግን ብተመሳሳሊ ካልእ ሕቶታት ሰልኪይዎ ስለዝነበረ፡ “ኣይትምለሱን” ኢሉ ብበትሪ ኣተዎም። ደሪዑ ደሪዑ ከኣ ከይፈተዉ ከም ዝምለሱ ገበሮም። እቶም ምስ አሕዋትና ኬንና ክንጋደል ኢሎም ዝመጽኡ መንእሰያት ክህረሙ ዝረኣየት ሓይሊ፡ ሓይሊ በርሀ ጻዕዳ፡ ንተግባራት ተኽለብርሃን ሓንኪሽ ኣይደገፈቶን። እቶም መንእሰያት ድሕሪ ምኻዶም ከኣ “ስለምንታይ ይህረሙ” ዝብል ሆጭ ዝበለ ኣኼባ ተኻዪዱ። ‘እቲ ዝገበርካዮ ተግባር ጌጋ’ዩ፡ እዞም መንእሰያት እዚኣቶም፡ ኣረዲእካ ደኣ ክምለሱ ነይርዎም እምበር ክህረሙ ኣይነበሮምን’ ኢሎም ነቐፌታ ኣዝኒቦሙሉ ብጾቱ። ለሚኑዎም ምስማዕ ከምዝኣበዮዎ እኳ እንተገለጸ፡ ‘እቲ ተግባር ቅቡል ኣይኮነን’ ተባሂሉ፡ ብመራሕ ሓይሉ በርሀ ጻዕዳ መቕጻዕቲ ተወሲኑሉ። ኣዛዚ ጋንታ ተኽለብርሃን ሓንኪሽ፡ ኣብ ኲናት ከቢድ መውጋእቲ ዘጋጠሞ ስንኩል’ዩ ነይሩ። ግን ከኣ ሕጊ ሰውራ ንኹሉ ኣሕቢሩ ስለዝቐጽዕ ጠልፈፍ እናበለ ዓቢ ጎቦ ይወጽእ ነይሩ። ድሕሪ ቁሩብ እዋን፡ እቶም ‘ሓደስቲ ኣይንቕበልን ኢና’ ተባሂሎም ንኣስመራ ዝተመልሱ መንእሰያት፡ ብገለ ሞሊቖም ናብ ካልእ ኣሃዱታት ከይዶም ዕድል ገይሮም፡ ሰሊጡዎም ተሰሊፎም። ታዕሊም ወዲኦም ምስ ተመደቡ ከኣ፡ ሓደ ካብኣቶም፡ ምስቶም ክህረሙ እንከለው ዝረኣየ ሰብ ኣብ ሕክምና ተራኺቡ። ሓደ ካብቶም ተሃሪሞም ዝተመልሱ መንእሰያት ድሮ ኣጋር ሓኪም ተማሂሩ ሓኪም እዩ ኮይኑ ነይሩ። “ኣንታ ብጻይ፡ ክንጋደል ኢልና መጺእና ቀጥቂጥኩም ዝመለስኩሙናስ እንታይ ክትረኽቡ ኢኹም” ምስበሎ ‘ኣለልየካ እንድየ” ንምባል። “እውይ ኣታ ምስቶም ዝተሃርሙ ኔርካ ዲኻ” ብምባል ብድሕሬኦም እንታይ ከምዘጋጠመ ሓቢሩዎ። “ብድሕሬኹም ደኣ ሓይሊ “ስለምንታይ ይህረሙ?” ኢላ ጫቚ ጫቚ እንድያ ኢላ። እቲ ዝሃረመኩም ከኣ ተቐጺዑ እንድዩ” ምስበሎ ግን ደንጊጹሉ። “ክላእ እንታይ ገይሩዎም ወደይ፡ በቲ ሓደ መዳይ ደኣ ሓቁ እንድዩ፡ ለሚኑና እኮ እዩ፡ ምስ ኣበናዮ እዩ ተቖጢዑ እምበር” ኢሉ ተደናጊጹሉ - እንቋዕ ገበርዎ ኣይበለን። ዝኾነ ኮይኑ እቲ ሌላ ካብኡ እዩ ዝጅምር። እዚ ዝዝረበሉ ዘሎ መንእሰይ ተጋዳላይ ተስፋይ ባይረ (ወዲ ባይረ) ይበሃል። እቲ ዘዘንቱ ዘሎ ከኣ መጎስ ብርሃነ እዩ። ተስፋይ ባይረ፡ ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ፡ ኣብ ኣስኮላ ጥልያን ዝተማህረ፡ ብራጂኔሪ ዝተመረቐ፡ ግን ስራሕ ከይጀመረ ገድሊ ኤርትራ ስለዝተወዓወዐ ናብ ቃልሲ ዝተጸንበረ መንእሰይ’ዩ። ተስፋይ ምስ ወላዲቱ’ዩ ዓብዩ። ወይዘሮ መብራት ምስ ጥልያን ይሰርሓ ስለዝነበራ ብተዘማዲ ደሓን ኣታዊ ስለዝነበረን ከኣ ንወደን አሐንቂቐን ኣብ ኣስኳላ ጥልያን እየን ኣምሂረንኦ። ተስፋይ በኹሪን ሓደን ስለዝነበረ ሓንቂቑ እዩ ዓብዩ። ድሕሪ ዕልዋ ንጉስ ሃይለስላሴ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገር ስለዝተበላሸወ እቶም ዝሰርሓሎም ዝነበራ ጠላይን ንዓዶም ክምለሱ ወሲኖም። ነገር እንጀራ ኮይኑወን ከኣ ወይዘሮ መብራት ምሰኦም ንኢጣልያ ከይደን። ኣብኡ እናሰርሓ ንወደን ኣመርዕየን ሓዳር ከትክለኦ ባህጊ ነይሩወን። ግን ወዲ ኣሎኒ እናበላ፡ ተስፋይ ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ከምዝተሰለፈ ተነጊሩወን። ነገር ወላዲት ኮይኑወን ሰንቢደን። ኣብ 1976 ካብ ኢጣልያ ንኤርትራ ኣትየን ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዓሪደን ናብ ዝነበራ ሓይልታት እናዞራ፡ \"ተስፋይ ባይረ ዝበሃል ሰብ ኣይትፈልጡን እናበላ ደሃዩ ከጣይቓ ፈቲነን። ሽዑ ተስፋይ ኣብ ክፍሊ ሕርሻ ተመዲቡ ነይሩ። ኣጋጣሚ ግን ከይረኸበኦ ተመሊሰን። እንደገና ኣብ 1978 ተስፋይ ኣብ ብርጌድ 31 ሓኪም ሓይሊ ምስ ኮነ ኣብ ወኪ ዛግር በጺሐን ደልየንኦ እንተኾ ኣሃዱ ተስፋይ ምስተን ንኣስመራ ከጥቅዓ ዝብገሳ ዝነበራ ሓይልታት ስለዝነበረት፡ \"ኣሃዶይ ናብ ኲናት እናኣተወት፡ ኣነ ንኣደይ ክርኢ ንድሕሪት ኣይምለስን'የ\" ኢሉ ኣቕቢጹ። “ናዓ ኣይፋልካን ቦታኻ ካልእ ሰብ ክንትክኣሉ ኢና” ተባሂሉ ብሓለፍቲ ተለሚኑ እውን ኣይሰምዐን። “ኣይከውንን’ዩ፡ እትረፍ ኣስመራ ንእትኣክል ዓባይ ከተማ ከነጥቅዕ፡ ናብ ማንም ንእሽቶ ነቑጣ እውን እንተዝኸውን ካብ ሓይለይ ኣይፈለን’የ ኢሉ ኣብዩ። በዚ ከኣ ምስ ወላዲቱ ከይተረኣኣዩ ንሱ ናብ ኩናቱ ንሰን ከኣ ምስ ናፍቖተን ናብ ዋኒነን ንኣስመራ ተመሊሰን ብኡ ኣቢለን ንዓዲ ጥልያነን ተመልሳ። ወይዘሮ መብራት ኣይቀሰናን ከብዲ ወላዲት ኮይኑወን እንደገና ድሕሪ ዓመት ካብ ዓዲ ጥልያን መጺአን ደሃይ ወደን ክረኽባ ኣብ ድፍዓት ከበሳ ናብ ዝነበራ ሓይልታት ኮለል ኢለን። ግን ሽዑኡ እውን ተስፋይ ብስራሕ ኣርሒቑ ስለዝጸንሐ ደሃዩ እምበር ብኣካል ከይረኸበኦ ብዕድለን እናተማረራ ናብ ስደተን ተመልሳ። ተስፋይ፡ ብውሽጡ ናፍቖት እተን ንበይነን ክንዲ ኣቦን ኣደን ኮይነን አሐንቂቐን ዘዕበየኦ ወላዲቱ እኳ እንተነበሮ፡ በቲ ንኹሉ ነገርካ ዘረስዕ ባህሊ ገድሊ ስለዝተገዝአ ግን ናፍቖቱ ክኢሉ ውራይ ቃልሱ ክገብር ተገደደ። “ከብዲ ወላዲን ቀጥቅጥ፡ ከብዲ ውላደንከ ገጥ” ከም ዝብልዎ፡ ናይ መንእሰይ ነገር፡ ኣደይ ካብ መጽአትስ ክርእያ እባ ኣይበለን። ምናልባት ነደይ ክርኢ ኢሉ ካብ ኣሃዱኡ ንድሕሪት እንተዝምለስከ እንታይ ምኾነን እንታይ ምተባህለን እውን ካልእ ዛዕባ፡ ካልእ ኣርእስቲ’ዩ። ምኽንያቱ፡ ኣብቲ ውድብ፡ “ኣደይ፡ ኣቦይ፡ ሓወይ፡ ሓፍተይ” ዝብል ባህሊ ኣይተለምደን። ኩለንትናኻ ብጾትካ እዮም። እትረፍ ወላዲትካ ንክትርኢ ናብ ኲናት ንዝብገስ ዝነበረ ኣሃዱኻ ገዲፍካ ንድሕሪት ክትምለስ፡ ኣብ ኲናት እውን እንተኾነ ብጥይት ተሃሪምካ ከተብቅዕ፡ ነቲ መውጋእቲ ክትጾሮ እንተኺኢልካ ክትቅጽል እዩ ዘሎካ። ብጾትካ ኪድ ተመለስ ኢሎም እንተዘይደፋፊኦሙኻ ተወጊእካ’ውን እንተኾነ ንድሕሪት ምምላስ ኣይነበረን። ብባህሊ እቲ ሰውራ ነውሪ እዩ። ካብ ስራሕ ወጻኢ ዘይገብረካ መውጋእቲ እንተኾይኑ፡ ክሳብ ተሰኒፍካ እትወድቕ ጠልፈፍ እናበልካ ከተገልግል ኣለካ። ንሱ እዩ’ቲ ባህሊ። እዚ ባህሊ እዚ ከኣ ማንም ሰብ ዘይጥሕሶ፡ ማንም ዘየፍርሶን ዘየርክሶን፡ ኣብቲ ቃልሲ ዝተሰረተን ዝሰረጸን ኣይካይዳ’ዩ። ተስፋይ ከኣ ነቲ ነገር’ቲ ክሰግሮ እዩ ኢልካ ዘይሕሰብ’ዩ ነይሩ - ከምኡ ከኣ ገይሩ። ኣብ 1978፡ እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሓካይም፡ ተወሳኺ ትምህርቲ ብምሃብ ዓቕሞም ኣማዕቢልካ ናይ ቦጦሎኒ ሓካይም ክኾኑ ስለዝተደልየ፡ ካብ ሃገርን ወጻእን ብዝተሰለፉ ገዳይምን ምኩራትን ሓካይም ስልጠና ክወስዱ ኣብ ፍልፍል ተኣከቡ። መጎሰን ተስፋይ ባይረን ከኣ ካብቶም ተመሃሮ ነበሩ። እንተኾነ፡ ኩሉ ተጋዳላይ ብረት ሒዙ ክዋጋእ እምበር ሳንጣ ሕክምና ጸይሩ ሰባት ክሕክም ዝደሊ ብዘይምንባሩ፡ “ኣነ ሕክምና ኣይመሃርን እየ - ብረት ክዓጥቕ እየ ዝደሊ” ዝብል ፋሉልነት ይረአ ነይሩ። ዳርጋ ኩሎም እቶም ንክመሃሩ ዝተጸውዑ ስለ ዘዕገርገሩ ከኣ እቲ ስልጠና ኣብ ከረን ንክወሃብ ተወሰነ። እንተኾነ ኣብኡ እውን ቅሩብነት ስለዘይነበረ ኩሎም እቶም ፍልጠት ሕክምና ንከመሓይሹ ክመሃሩ ዝተሓጽዩ ሓካይም ናብታ ኣብ 78 ትቐውም ዝነበረት ብርጌድ 31 ተመደቡ። ተስፋይ ባይረን ሞገስ ብርሃነን ከኣ ምስ ኩሎም ደቂ ኮሩሶም ኣብታ ሓዳስ ብርጌድ ከም ሓካይም ተመደቡ። እቶም ክልተ ብጾት ሓካይም ቦጦሎኒ ኮይኖም ኣብ ሓንቲ ኣሃዱ እዮም ተመዲቦም - ዕርክነቶምን ብጻይነቶምን ከኣ መመሊሱ ዓሞቐን ዓምበበን። እታ ኣሃዱ፡ ንኸተማ ኣስመራ፡ ኣብ ቀለቤት ኣብ ዘእተወ ድፍዓት ኮይና፡ ነቲ ኩናት ኦጋዴን ስዒሩ፡ “የካራማራ ድል በኤርትራ ይደገማል” ብዝብል ጭርሖ ንሰሜን ዝፈሰሰ ሓይሊ ኣብ ዓዲ ያዕቆብ ንምግትኡ ዝከኣላ ገይራ - ምዝላቕ ኮይኑ ምስ ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት ንሳሕል ወሪዳ። ሓይልታት ህዝባዊ ግንባርን ተሓኤን ካብቲ ሒዘንኦ ዝነበራ ዕርድታት ከበሳ ለቒቐን ንሳሕልን ባርካን ኣዝለቓ። እቲ ምዝላቕ፡ ንሰራዊት ደርግ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት እናኸተረ ይፍጸም ስለዝነበረ ተስፋይን መጎስን ከኣ ምስ ኣሃዱታቶም ኮይኖም ንጸላኢ እናዓንቀፉን ንውጉኣት ብጾቶም እናሓከሙን ንሳሕል ኣትዮም። ብፍላይ ተስፋይ ባይረ ኣብ ዝተፈላለየ ኲናት ሓያል መውጋእቲ ኣጋጢምዎ እዩ። እቲ ወራራት ምስተዳኸመ እቲ ሰራዊት ኣብ ሳሕል ቀዋሚ ዕርድታት መስረተ። ውድባት ጀብሃን ሻዕቢያን ተሓባቢሮም ኣብ ክንዲ ዝሰርሑ ኣብ ንሓድሕዶም ዝጸንሐ ህልኽን ውድድርን ስለዝገረረ ኣብ 1981 ኩናት ሓድሕድ ተኻይዱ ተሓኤ ካብ ሜዳ ኤርትራ ወጺኣ። ንኽልተ ዓመት ክዳሎ ዝጸንሐ ደርግ ከኣ፡ ነቲ ኣብ ሰሜን ዝነበረ ሽግር ሓንሳብን ንሓዋሩን ክስዕር ገዚፍ ዓቕሚ ሰራዊትን ኣጽዋርን ኣኽቲቱ ብኣዋጅ ሻዱሻይ ወራር ፈነወ። ድሕሪ ሻድሻይ ወራር እንታይ ኮነ ...ክቕጽል'ዩ!","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53133350"} {"headline":"ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ንሓምሻይ ዓመት መዓልቲ ሓርበኛታት ዘኪሮም","content":"ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ምእንቲ ናጽነትን ልዑላውነትን ክቡር ህይወቶም ዝወፈዩ ሰማእታትን፡ ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ኣብ ሰሃራን ባሕርን ህይወቶም ዝሰኣኑ ዜጋታት፡ ኣብዚ ቐረባ እዋን ብኮቪድ ንዝተፈልዩ አሕዋት ብሓባር ብዙም (ማንዛዊ መራኸቢ) ጸሎተ ሕልና ብምብጻሕ ንመበል ሓሙሻይ ዓመት ዝኽሪ ዕለተ ሓርበኛታት ዘኪሮም። ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት፡ ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ግዱሳት፡ ነዚ ኣብ ታሪኹ ከቢድ ፈተነን ብደሆን ዝሰገረን ዝሰግር ዘሎን ክቡር ህዝቢ ኤርትራን ደቁን፡ ሓንቲ መዓልቲ ካብ ዓመት፡ ጽንዓቱን መኸትኡን ዝገልጸላ፡ ተካእቲ ወለዶታትና መወከሲ ቅያን ጀግንነትን ኣቦታቶም ዝሰምዑላ፡ ንሓርበኛታትና ብሓባር የቐንየልና እንብለሉ ዕለት ተድሊ እያ ዝብል ሓሳብ ኣንቂሎም ድሕሪ ምዝታይ እዮም ቀዳመይቲ ሰሙን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ከብዕሉዋ ተሰማሚዖም። “ስለምንታይ ግን መዓልቲ ሓርበኛታት?” ንዝብል ሕቶ፡ ክጅምሩ እንከለው፡ ዘልዓሉዎ ሕቶ እዩ። ሓንቲ ሃገር፡ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ዋጋ ዝኸፈሉ፡ ንእስነቶም፡ ግዜኦም፡ ጉልበቶም፡ ዓቕሞም፡ ኩለንትንኦም ዝወፈዩ፡ ከም ሓርበኛታቱ ይዝክሮም የኽብሮምን። ስለዚ ነቶም ኣብ ዕድሚኦም ምእንቲ ህዝቦም ክቡር ዋጋ ዝኸፈሉ፡ ወይ ዓቕሞም ዘፍቅዶ ዝገበሩ ሰባት፡ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ዓመት መሪጽና “የቐንየልና” ክንብሎም ኣገዳሲ እዩ - ክብሉ ዘትዮም።ስለምንታይ እዩ’ኸ ንሓርበኛታትና የቐንየልና ክንብሎም ዘድሊ? ዝብል ሕቶ እውን ኣልዒሎም እዮም። እቲ ንእሽቶ ወለዶ፡ ንሃገርን ህዝብን ግዜኦም፡ ጉልበቶም፡ ኩለንትነኦም ዝወፈዩ ሓርበኛታት ሃገሩ፡ ሰማእታቱን ሓርበኛታቱን ክኽበሩ፡ ክድነቑ፡ ክፍቀሩ ክርኢ እንከሎ፡ ንሱ እውን ንታሪኾም ክወርሶን ኣሰሮም ተኸቲሉ፡ ኣብ ዕድሚኡ፡ ግዜኡ፡ ብዝተፈላለየ ሞያን ዓውድን፡ ብሕክምና፡ ብኢንጂነሪንግ፡ ብቴክኖሎጂ፡ ብሳይንሳዊ ምርምር፡ ብትምህርቲ፡ ኮታ ብኹሉ ከበርክቶ ዝኽእል ዓውዲ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ዓቕሙን ክእለቱን ክገብር ክተባባዕ ዓቢ ዕድል እዩ ዝኸፍት። እተን መዓልቲ ሓርበኛታት ዘለወን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለየ ህዝባውን ሃገራውን በዓላተን ንሓርበኛታተን ብኽብሪ ይዝከረኦም። ሰበ ስልጣን መንግስትን ማሕበራውያን ትካላትን ሓርበኛታቶም ንዝገበሩዎ ኣፍልጦ ሂቦም የቐንየልና ይብልዎም፡፡ ኣብ ኤርትራ ዛጊት ንሓርበኛታት ዝዝክር ሃገራዊ መዓልቲ ስለዘየሎ እዮም እዞም ኣብ ግዳም ዝነብሩ ዜጋታት ክሳብ ሓደ መዓልቲ መንግስቲ ኤርትራ ሃገራዊ መዓልቲ ሓርበኛታት ዝሰምን ንኽብሮም ዝበቅዕ መደባት ዝኽርን ኣፍልጦን ዝሰርዕ ግዝያዊት መዓልቲ ዝኽሪ መሪጾም ኣብ ሃገራት ስደቶም ከብዕሉዎ ወሲኖም። ገዲም ተጋዳላይ ፈለማ ሰብዓታት ናዝራዊ የማነ፡ ኣብ ልቢ ብዙሓት ዜጋታት ስለምንታይ መዓልቲ ሓርበኛታት ዘይህልወና ዝብል ሓሳብ ስለዝነበረ እቶም ግዱሳት ተኣኻኺቦም፡ ኣየነይቲ መዓልቲ ንምረጽ ኢሎም ምስ ዘተዩ፡ ኣብ 1974 ኣብ መንጎ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ንዝካየድ ዝነበረ ኲናት ሓድሕድ ዓበይቲ ዓድን ካህናትን ኣብ መንጎአም ኣትዮም ንዝዓረቑዎም ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ ነሓሰ ከም ኣብነት ወሲዶም ከብዕሉዋ ከምዝጀመሩን ንኹሎም እቶም ክሳብ ሕጂ ዓቲቦም ዝቕጽልዎ ዘለው ገዳይም ጀመርቲ ማሕበር ኣመስጊኑ። ሎም ዘበን ኮቪድ ብዘስዓቦ ምኽንያት ኩሉ ህዝባውን ሃገራውን በዓላት፡ ተወንዚፉ ወይ ከኣ ብማሕበራዊ መራኸቢ ብዙም ብርሕቐት ይበዓል ብምህላው፡ ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም፡ ኣሜሪካ ኣውስትራልያ ኤውሮጳን ዝተራኸቡ ሃገራውያን ግዱሳት ነታ ዕለት ዘለዎም ዝኽርን ኣኽብሮትን ብምግላጽ ንኣሰናዳእቲ እቲ መደብ ኣመስጊኖም። ኣብ መኽፈቲ እቲ በዓል ካብ ኣሰናዳእቲ እቲ መደብ ወይዘሮ ሉኡል ስዩም ንኣገዳስነት እቲ ማሕበር ዝምልከት ሕጽር ዝበለ መእተዊ ብምሃብ እታ ዕለት ብኸመይ ከምዝጀመረትን እቲ ዝርገሐ ሓሳባት ኣብ ከመይ ደረጃ ከምዘሎን ኣካያዲ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና ገዲም ተጋዳላይ ዮውሃንስ ጸጋይ መብርሂ ሂቡ። ብድሕሪኡ መድረኽ ንኹሎም እቶም ብኣገዳስነት እታ ዕለት ክዛረቡ ዝደልዩ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ተኸፊቱ ብዙሓት ከኣ ብኣገዳስነት እታ ዕለትን ህሉው ኩነታት ሃገርን ረርእይቶኦም ኣቕሪቦም።ክልተ ተዘክሮታት መጻሕፍቲ ቃልሲ ዝጸሓፈ ገዲም ተጋዳላይ ፈለማ 60-ታት ዓሊ መሓመድ ሳልሕ፡ “ኣብ ቃልሲ ኤርትራ ዕዙዝ ተራ ዝነበሮም ገዳይም ተጋደልቲ፡ ደጊም ዕድመ ደፊኦም ይሽምግሉ ስለዘለው እቶም ክእለት ዘለኩም ጸሓፉ” ክብል ዝኽእል ዘበለ ታሪኽ ክስንድን ክጽሕፍን ተማሕጺኑ። ነዊሕ ሱርን ታሪኽን ዘለዎ ሓርበኝነት ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ኣርብዓታት ነዛ ሕጂ እንሕበነላ ኤርትራና ብክቡር መስዋእትን ቃልስን ካብ ምምቕቓል ኣድሒኖም ስለዘረከቡና ክብሪ ከምዝግበኦም ዝገለጸ ተጋዳላይ ኣሰፋው በርሀ፡ እዚ ሕጂ ብግዱሳት አሕዋት ጀሚሩ ንሓምሻይ ዓመቱ ዝበዓል ዘሎ መዓልቲ ሓርበኛታት ሓደ መዓልቲ ኣብ ኤርትራ ብልዑል ክብሪ ክበዓል ክርኢ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ። ካብቶም ማሕበር ሓርበኛታት ንክህሉ ምስ መሰልታ ዝተቓለሰት ኪኪ ጸጋይ እውን “ ንሓርበኛታትና ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ዓመት የቐንየልና ክንብሎም ግቡእ እዩ - ስለዝኾነ ኩሉ ሓላፍነት ዝስመዖ ነዛ ዕለት ህያው ንምግባራ በብዓቕሙ ክዋሳእ ጸዊዓ። “እዞም ንኽብሪ እዛ ዕለት ንተኣኻኸብ ዘሎና ግዱሳት ብጾት ነዛ ዕለት ኪነው ዝኽርን ክብርን ኣብ ውሽጥን ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ንዝርከቡና ስንኩላን ሓርበኛታትና እንሕግዘላ ማሕበር ንምግባራ፡ ሕጋዊትን ወግዓዊትን ማሕበር ንምግባራ ክንጽዕር ይግባእ”። ብዙሓት ካብቶም ተሳተፍቲ ከኣ ንኣገዳስነት እታ ዕለትን ቀጻልነታን ብዝምልከት ሃናጺ ርእይቶታት ኣቕሪቦም ንዓመታ ሃዋሁው ኮቪድ ምስተኣልየ ኣኣብ ዝነብሩሉ ሃገር ኣብ ሓደ ኣደራሽን ብፍሉይ ድምቀትን ከብዕልዎ ምንዮቶም ገሊጾም።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53712198"} {"headline":"መስርሕ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ፡ ዕርክነት ኣብዪን ኢሳይያስን ኮይኑ ተሪፉ' ሜ\/ጀነራል ኣበበ ተኽለሃይማኖት","content":"ሜ\/ጀነራል ኣበበ ተኽለሃይማኖት፡ ኣብ ንእስነቱ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ብ 1968 ዓ\/ም፡ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ትግራይ ዝተጋደለ እዩ። ድሕሪ ውድቀት ደርጊ፡ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዘገልገለ ኮይኑ፡ ካብ 1987 ጀሚሩ፡ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ነይሩ። ኣብ 1993፡ ብጡሮታ ተሰናቢቱ። ጀነራል ኣበበ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጋዜጣታት፡ መጽሄታትን ብዘቕርቦም ፖለቲካዊ ትንታነታት ይፍለጥ። 'የኢትዮጵያ ፖለቲካ ከየት ወዴት' ዝብል መጽሓፍ'ውን ጽሒፉ እዩ። ቢቢሲ ትግርኛ፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣዘራሪብዎ ኣሎ። ቢቢሲ፡ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍሉይ ቆላሕታ ኣብ ዝረኸበሉ ኩነታት ኢና እንርከብ፡ ከም ሓደ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ ዝከታተል ሰብ፡ ጉዳይ ሕገ መንግስቲ ቀንዲ ዛዕባ ዝኾነሉ ምኽንያት እንታይ ይመስለካ? ጀነራል ኣበበ፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ኣብ ዓብዪ ሕገ-መንግስታዊ ቅልውላው ስለንርከብ እዩ። እቲ ሕገ መንግስቲ በቢ ሓሙሽተ ዓመት ህዝቢ ክመርጽ ኣለዎ ኢሉ እዩ ዘቐምጥ፡፡ እዚ ሉእላዊ መሰል እዩ፡ እዚ መሰል ይከበርዶ ኣይከበር ዝብል ሕቶ መጺኡ ኣሎ፡፡ ብዛዕባ'ዚ፡ ወላ እቶም ሕገ መንግስቲ ዘይድግፉ ዝነበሩ እዮም፡ ሕገ መንግስቲ መሰረት ገይሮም ክትንትኑ ዝፍትኑ ዘለዉ፡፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ቅልውላው ዘሎ ሓደ ዓብዪ ዕድል ጌርካ ክውሰድ ዘለዎ እዩ ዝመስለኒ፡፡ ቢቢሲ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ምስ ምጽሄት ውራይና ኣብ ዝነበረካ ጻንሒት፡ በቲ ለውጢ ሕጉስ ምንባርካን መጻኢ ናይታ ሃገር ብሩህ ከምዝኸውንን ገሊጽካ ኔርካ፡፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ድማ፡ ኣብ ዓይጋ ፎረም \"ንምዃኑ ኣብ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣሎ ድዩ?\" ክሳብ እትብለሉ ደረጃ ከምዝበጻሕካ ገሊጽካ። ምሕደራ ዶ\/ር ኣብዪ ኣሕመድ ከመይ ኢኻ ገምጊምካዮ? ብሩህ ኮይኑ ዲኻ ረኺብካዮ? ጀነራል ኣበበ፡ ኣነ ንዶ\/ር ኣብዪ ደጊፈ እየ። ዝደገፍኩሉ ግን ንዶ\/ር ኣብዪ ስለዝፈልጦ ኣይኮነን። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ናይ ሓይሊ ሚዛን ለውጢ መጺኡ እዩ፡፡ ማእከሉ፡ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ከይዱ። እዚ፡ ክንቅበሎ ዘለና እዩ። ካልኣይ፡ ኣነ ናይ'ዚ ሕገ መንግስቲ ኣማኒ እየ። መሰረታዊ ጥንካረ ዘለዎ ሕገ መንግስቲ እዩ ኢለ እየ ዝወስድ። ብመንጽር ሕገ መንግስቲ ከኣ፡ እቶም ዋና ነጠፍቲ ዝነበሩ ዳርጋ ኩሎም ልሂቃን ናይ ኦሮሞ፡ ይድግፍዎ እዮም ነይሮም፡፡ ሕዚ'ውን፡ ብዘይካ እዞም ኣብ ብልጽግና ተኣኻኺቦም ዘለዉ፡ መብዛሕተኦም ናይ ኦሮሞ ልሂቃን ነቲ ሕገ መንግስቲ ይድግፍዎ እዮም። ስለዚ፡ ስትራተጂካሊ ክረአ እንተሎ፡ ንዶ\/ር ኣብዪ ዘይኮነ ኣነ ዝደገፍኩ፡ ነቲ ሕገ መንግስቲ ዝድግፉ ስትራተጂክ ሓይሊታት ንዘምጽእዎ ሰብ እዩ፡፡ መጀመርያ ኣብ ወርሒ ጉንበት ዝጸሓፍኩዋ፡ ሕገ መንግስቲ ክሳብ ዘኽበርካ ክንድግፈካ ኢና፡፡ ሕገ መንግስቲ እዩ ኣምጺኡካ፡ ስለዚ እቲ ጀሚርካዮ ዘለኻ ነገር ጽቡቕ እዩ፡፡ ግን፡ እናነቐፍና 'ውን እንተኾነ ንድግፈካ፡ እቲ ሕገ መንግስቲ ክሳብ ዘኽበርካ እዩ፡ እያ እትብል እታ መጀመርያ ዝጸሓፍኩዋ። ሕገ መንግስቲ ክጠሓስ ከሎ ድማ፡ ዳርጋ እዛ ኣብ ኣሜሪካ ናይ 27 ዓመት ጸልማት ነይሩ ምባል ክጅምር ከሎ እየ ምንቃፍ ጀሚረ፡፡ ቢቢሲ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነታ ሃገር ከሳግራ ይኽእል ዝብል ተስፋ እዩ ነይሩካ። እቶም ዝሓለፉ ዓመታት ድማ፡ ብዙሓት ሰባት ዝተፈናቐሉሉ፡ ኣምነስቲ እውን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈጸሙ ከሲሱ'ሎ። ሕዚ'ውን ነታ ሃገር ከሳግረሉ ኣብ ዝኽእል ኩነታት ድዩ ዘሎ? \"እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንምዃኑ ኣብ ኢትዮጵያ ድዩ ዘሎ? ክሳብ ዝብል በጺሐ\" ዝበልካዮኸ እንታይ ማለትካ እዩ? ጀነራል ኣበበ፡ ከምቲ መጀመርታ ዝገልጽክዎ ዶ\/ር ኣብዪ ስለዝፈልጦም ኣይኮንኩን፡ ጠቕላላ ካብ ናይ ስተራተጂስት ሓይሊታት ኣሰላልፋ ተበጊሰ፡ ህዝቢ ኦሮሞ እዩ ማእኸል ናይቲ ቃልሲ ነይሩ፡ ህዝቢ ኦሮሞ ኣምጺእዎ ኣሎ። ንቀበል እምበር፡ ኣብዪ ኣሕመድ ዝበሃል ሰብ ከም ሰብ እውን እየ ዘይፈልጦ ነይረ ቅድሚ ናይ ኢህወዴግ ኣቦ ወምበር ምዃኑ። ስለ'ዚ፡ ብውልቀ ኣይንርአዮ፡ ሓደ መራሒ ካብቲ ፖለቲካል ስትራክቸር ወጻኢ ክረአ ኣይኽእልን። ካብ መጀመሪያ ጀሚሩ ሕገ መንግስቲ ከኽብር እዩ ዝብል እምነት ነይሩኒ፡፡ ካብ ናይ ኦሮሞ ልሂቅ እዩ መጺኡ ናይ ኦሮሞ ልሂቅ ካዓ፡ ካብ ኢትዮጵያ ንነጸል ዝብል ገዲፉ፡ በዚ ሕገ መንግስቲ ኣቢልና መሰልና ክነኽብር ንኽእል ኢና፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለና ቦታ ክንሕዝ ኢና፡ ምባል ዝጀመረ ኣካል እዩ፡፡ ብልጭ ዝበለ ናይ ለውጢ [ጅማሮታት] ነይሩ፡ ግን ብልጭ ኢሉ ዝጠፍአ ኮይኑ። ደረጃ ብደረጃ፡ እቲ መጀመርያ ዝህቦ ዝነበረ ተስፋታት፡ ተስፋ ጥራሕ እናኾነ፡ እቲ ሕገ መንግስቲ ምጥሓስ ይረአ እዩ፡፡ ካብቲ እኒ ጀነራል ክንፈ ክእሰሩ ከለዉ ጀሚሩ፡ ኣብኡ ሕገ መንግስቲ ተጣሒሱ እዩ። ተሓታቲ ክኸውን ዝነበሮ ቀዳማይ ሚኒስተር [ሃይለማርያም ደሳለኝ] እንከይተሓተተ እዮም [ንሶም ተኣሲሮም]፡፡ ቢቢሲ፡ ጀነራል ክንፈ ዳኘው ዝተኣሰረሉ መገዲ ከመይሉ ኢ- ሕገመንግስታዊ ክኾን ክኢሉ? ጀነራል ኣበበ፡ ናይ መጀመሪያ እቲ ዶክሜንተሪ ፊልሚ እዩ፡ እቲ ዶክሜንተሪ፡ መሰረታዊ ናይ ሕጊ ጥሕሰት ኣለዎ፡፡ ናይ ቴሌቪዥን ፍርዲ እዩ፡፡ ናይ ቴሌቪዥን ፍርዲ ድማ፡ ብሕገ መንግስትና ክልኩል እዩ። ሕገ መንግስትና ንጥርጡር ገበነኛ ኣይገብርን፡፡ ካልኣይ ኢህወዴግ ዘጥፈኦ ጥፍኣት፡ ናይ ኩሎም ኣብቲ እዋን ዝነበሩ መራሕቲ ጥፍኣት እዩ። ልክዕ እቲ ዘምጽእዎ ልምዓት ናይ ኩሎም ከምዝኾነ፡፡ ስለዚ፡ ንኣብነት ህዳሰ ግድብ ብዝምልከት፡ ቀጥታ ተጸዋዕነቱ፡ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር እናሃለወ፡ [ንሱ ከይተሓተተ] ጀነራል ክንፈ ምሕታቱ ሓደ መሰረታዊ ጸገም እዩ፡፡ ሽዑ ዝነበረ ቦርድ ከይተሓተተ ኣካያዲ ስራሕ ይሕተት። ቀዳማይ ሚኒስተር ከይተሓተተ ትሕቲኡ ዘሎ ይሕተት። እቲ ናይ ሰብኣዊ መሰል 'ውን ከምኡ እዩ። ንኦነግ ኣሸባሪ እዩ ዝበለ ፓርላማ ከይተሓተተ፡ ኣሸበርቲ ንምድኻም ዝንቀሳቐስ ምእሳር ጌጋ እዩ፡፡ ቢቢሲ፡ ሐዚ'ውን ቅድም ክብል ኣብቲ ናይ ለውጢ እዋን ሰላማዊ ስግግር ከምዝተገበረ ገሊጽካ ኔርካ። ካብ መን ናብ መን እዩ እቲ ስግግር ተኻይዱ? ጀነራል ኣበበ፡ እታ ሃገር ናብ ሓደጋ ትኸደሉ ኩነታት እዩ ነይሩ፡፡ ንዶክተር ኣብዪ መን ምዃኑ እንተይፈለጥኩ እውን ንዕኡ ምረጽዎ እየ ኢለ ነይረ። ንኦሮሞ እዩ ዝምረጽ ዘሎ ማለት እዩ፡፡ ንኣብነት ዶ\/ር ኣብዪ እንተዘይምረጽ እንታይ ምኾነ ነይሩ እንተይልና፡ ናይ ሽዑ ዝተዛረብዎን ዝጸሓኩዎን ክነግረካ። ቄሮ ኣዲስ ኣበባ እንተወሪሮምዋ እንታይ ማለት እዩ? መንግስቲ ዘይብላ ዓዲ ማእከል ዘይብላ ዓዲ ናይ ምዃን ዕድል ኣለዋ ማለት እዩ። ኣብ ዘበናዊ ናይ ኢትዮጵያ ታሪኽ ኦሮሞ እየ ዝብል፡ መራሒ ኮይኑ ኣይፈልጥን፡፡ ብበዝሒ ንሶም ይበዝሑ፡ ግን እቲ ዕድል ኣይረኸቡን፡ ፍትሓዊ ኣይኮነን። ስለዚ ዶ\/ር ኣብዪ ጥዑይ ድዩ ኣይኮነን ዘይኮነስ፡ ናይ ሓይሊታት ኣሰላልፋ እንተርኢኻ፡ ናይ ህዝቢ መሰል እንተርኢኻ፡ ኦሮሞ ኣምጺኡዎም ኣሎ ብሰላም ካኣ ተሸጋጊሮም። ብሰላም እንተዘይሰጋገር፡ ናብ ዝገደደ ዕንክሊል ክንኣቱ ኔርና ኢና። 2007 ዓም ምኢቲ ፐርሰንት ስዒርና ኢሎም [መረጻ]። 2008 ዓመጽ ተላዒሉ። እናተጓሃሃረ ከኣ ከይዱ። እቲ ክኾን ዝተጸበናዮ ለውጢ ኣይመጸን፡ ንዝተወሰነ እዋን ግን፡ ኣዝሒልዎ እዩ። ዶ\/ር ኣብዪ ግን፡ ካብቲ ዝወጽሉ ህዝቢ ኦሮሞ እውን እናተነጸሉ ምኻድ እዮም ዘርእዩ ዘለዉ። ናይ ብሄር ብሄረሰባት መሰል ናይ ምጥሓስ ኣንፈት'ውን ይረአ ኣሎ። ቢቢሲ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ዝነበረ መሪሕነት ዶ\/ር ደብረጽዮን ከመይ ርእይኻዮ? ጀነራል ኣበበ፡ ብጠቕላላ እንትረአ እንተሎ፡ በዚ'ውን ናይ ገስጋሳይ መራሒ ገይረ ይወስዶ። ቅንዕና፥ ቀትርን ለይትን ሰሪሕኻ ንህዝቢ ንምልዋጥ ዘለዎ ድልየታት'ውን ጽቡቕ ይመስለኒ። መራሒ ክትከውን እንተለኻ ግን ካብ ቅንዕና ንላዕሊ ክትከውን ኣለካ ማለት እዩ። ሐዚ ኣብ ህወሓት ይኹን ዋላ ኣብ ትግራይ፡ ክልተ ሓይሊ እዩ ዘሎ። እቲ ሓደ ሕገ መንግስቲ ኣኽቢሩ ክኸይድ ዝደሊ ሓይሊ፡ [እቲ ኻልእ ድማ] ብሕገ መንግስቲ እናመሓለ ናይ ባዕሉን ናይ ጉጅልኡን ጥቕሚ ከኽብር ዝደሊ ሓይሊ ኣሎ። ቢቢሲ፡ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ድዩ? ጀነራል ኣበበ፡ ኣብ ውሽጢ ህወሓት እውን ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ'ውን። ኣብ ላዕለዋይ መሪሕነት 'ውን። ሐዚ ኣብዛ ቃልሲ እዚኣ፡ ዶ\/ር ደብረጽዮን ነዞም ገስገስቲ ሒዙ፡ ህዝቢ ትግራይ ሒዙ ይስዕርዶ፡ ወይስ ተሳዒሩ ተበሳቢሱ ይወጽእ ዝብል ሕቶታት ኣለኒ ሐዚ'ውን፡፡ ምኽንያቱ፡ እዚ ናይ ጥቕሚ ጉዳይ'ውን ናይ ህዝቢ ረብሓታት'ውን ዝምልከት እዩ፡፡ ዶ\/ር ደብረጽዮን ብህዝቢ ደረጃ ጽቡቕ ተቐባልነት ኣለዎ፡ ካልኣይ በቲ ዝፈልጦ'ውን ቅንዕናን ሃርኮትኮትን ኣለዎ፡፡ መሰረታዊ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ግን ዝጉተት ዘሎ እዩ ዝመስለኒ፡፡ ንኣብነት፡ ኣብ መንጎ ውድብን መንግስትን ዘሎ ርክብ። ፓርቲ ፓርቲ እዩ፡ መንግስቲ መንግስቲ እዩ፡፡ እቲ ፓርቲ ናይ መንግስቲ ቑርዲድ ክኾን የብሉን፡ ብናይ መንግስቲ ገንዘብ፥ ብናይ መንግስቲ ግዘ፥ ብናይ መንግስቲ ኩሉ ነገር፡ ክጥቀም የብሉን። ካብ መጀመርያ ዝገረመኒ፡ ዶ\/ር ደብረጽዮን ምስመጹ፡ ኣቶ ብርሃኑ ኣባዲ [ሓላፊ ቴሌቪዥን ትግራይ ዝነበሩ] ብቤት ጽሕፈት ህወሓት ተባሪሮም ተባሂሉ፡፡ ዳሓር ጸኒሖም ፖሊት ቢሮ እዩ ኣባሪርዎ ኢሎም፡ እንታይ የእትዮ ኣብ ናይ መንግስቲ ስራሕ? ኣጠቓላሊ ኣንፈት እዩ ዝህብ እምበር፡፡ እንታይ ክገብሩ እዮም ዶ\/ር ደብረጽዮን ኢለ ተጸብየ ነይረ፡ ዝተገበረ ነገር ግን የለን። ሐዚ'ውን መረጻ ክካየድ እንድሕር ኮይኑ ፍትሓዊ መረጻ ክካየድ ኣለዎ። ቢቢሲ፡ ውድብ ህወሓት ክልላዊ መረጻ ንምክያድ ወሲኑ ኣሎ፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ድማ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝኾነ ኣጠንቂቑ እዩ። እዚ ኩነታት ናብ ኲናት ከምርሕ ዝኽእልዶ ይመስለካ? ከመይ ትዕዘቦ? ጀነራል ኣበበ፡ መረጻ ሎሚ'ውን ክካየድ ይኽእል ነይሩ ዝብል እምነት እዩ ዘለኒ። ብፍላይ እቲ ዳሓር ብልጽግና ዝገበርዎ ድራማ ክርኢ እንተለኹ ብጣዕሚ እዩ ገሪሙኒ፡ ግንቦት ክነካይድ ንኽእል ኔርና፡፡ እንታይ ደኣ? ናይ ቦርድ ሊቀ መንበር ክምረጽ ኣዋርሕ፡ ናይ ቦርድ ኣባላት ክምረጹ ኣዋርሕ፡ ከምዚ እናበለ እዩ እቲ ግዜ ጠፊኡ፡፡ ክንምረጽ ኢና ዝብል እምነት ኣይነበሮምን፡ ዳሓር ኮሮና ምስመጸ እውን ሳይንሳዊ ጽንዓት ተኻይዱ እዚ መረጻ ክካየድ ኣይኽእልን ዝብል የለን፡፡ ሕወስውስ ዝበለ ነገር እዩ። ኮሮናቫይረስ እናሃለወ ምምራጽዶ ይሕሸና ወይስ ኣይኮነን ዝብል ሕቶ'ውን ክለዓል ይኽእል እዩ፡፡ምኽንያቱ እቲ ሐዚ ዘሎ መንግስቲ ቕቡልነት ዘይብሉ መንግስቲ እዩ። እዚ ግን ዶ\/ር ኣብዪ ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ፡ ቅድሚኡ ኢህወዴግ እናሃለወ'ውን ዘይቅቡል እዩ። ብ2007 ዓ\/ም ቦርድ መረጻ ተመሪጽካ ኢኻ ኢሉዎ፡ ዝበዝሕ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኦሮሞ ኣምሓራን ከዓ ኣይመንግስትናን ኢሎምዎ እዮም። ተቐባልነት ዘይብሉ መንግስቲ ኣብ ዝህልወሉ እዋን፡ ኮሮናቫይረስ ንምውጋእ'ውን ኣጸጋሚ እዩ ዝኾነና። ኣነ ሐዚ ኮይነ ክሪኦ እንተለኹ ሓቆም እዮም ክፈርሑ፡፡ ኣብ ኦሮሞ ኣይምረጹ ኣብዝኾነ ክልል ኣይምረጹን። ሳይንሳዊ ዝኾነ ነገር መጺኡ ብኢትዮጵያ ድረጃ ኣይካየድን እኳ እንተተባህለ፡ ኣነ ትግራይ ምክያድ ዝኽእል እንተኾይኑ ሕገ መንግስታዊ መሰል እዩ። ቢቢሲ፡ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ እንተዘይፈቒዱ ከመይ ኢሉ ኣብ ትግራይ መረጻ ክካየድ ይኽእል? ጀነራል ኣበበ፡ መረጻ ኣብ ትግራይ እንተተኻይዱ፡ ነቲ ፌደራል መንግስቲ ይጎድእዶ? ንኣምሓራ፥ ንኦሮሞ ይጎድእዶ? ካብ ትግራይ ብጽቡቕ ይኹን ብሕማቕ፡ ትምህርቲ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ ፌደራል 'ውን እንተኾነ፡ እዚ ምርጫ እዚ ፍትሓዊ ብዝኾነ ክካየድ እዩ ክድግፍ ዘለዎ፡ ዋላ ካልኦት ክልላት'ውን፡፡ ናይ ኢትዮጵያ ሕገ መንግስቲ፡ ካብቶም ካልኦት ዝፈልዮ ሓደ ነገር ኣሎ። ናይ 'ኮንሰንሰስ' ሕገ መንግስቲ እዩ። 'ኮንሰንሰስ ዲሞክራሲ' ዘለዎ ሕገ መንግስቲ እዩ። ካብኡ ድማ 'ድዋል ኮንስቲትዩሽን' ዝበሃል ኣስፊሑ ዘቐምጥ ሕገ መንግስቲ እዩ። ስለዚ እቲ ናይ ክልል ህዝቢ፡ ብሄር ብሄረሰባት መሰል ኣለዎም፡፡ እዚ መሰል እዚ፡ ብዝኾነ ኣዋጅ ዘይሰዓር እዩ። መረጻ ቦርድ ናይ ምምችቻው ስራሕ እዩ ዘለዎ እምበር መሰል ዝህብ መሰል ዝኸልእ ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ ሲዳማ ሪፈረንደም ተኻይዱ። ናይ ባዕልና ክልል ምስበሉ፡ እቲ ክልል ንቦርድ ጸዊዕዎ፡፡ እቶ ቦርድ ድማ ሪፈረንደም ኣካይዱ፡፡ስለዚ መሰል እዩ ዝቕድም፡ ቦርድ 'ፕሮሲጀር' እዩ ዘመቻቹ። ንመሰል 'ፕሮሲጀር' ኣይጥሕሶን፡፡ መሰል ክረጋገጽ እዩ ፕሮሲጀር ዝስራሕ። ስለዚ እቲ ቦርድ፡ ትግራይ ክንመርጽ ኢና እንትብል እንተሎ እምበኣር ፍትሓዊ፡ ሕጋዊ ክኸውን እንታይ ክንሕግዘኩም? እዩ ክብል ዘለዎ ፌደራል 'ውን። ቢቢሲ፡ እዚ ዘይምርድዳእ ናብ ኲናት ከምርሕ ይኽእልዶ? ንስኻ'ኸ ከም መጠን ነበር ኣዛዚ፡ እቲ ሰራዊት እንታይ መርገጺ ክሕዝ ዘለዎ ይመስለካ? ጀነራል ኣበበ፡ ኲናት ከጋጥም ይኽእልዶ ኣይኽእልን ዝብል ብጣዕሚ ኣጸጋሚ ሕቶ እዩ። ግን ምፍርራሕ ዝበሃል ነገር'ውን ኣሎ። ኣፈራሪሕኻ ዝደለኻዮ ናይ ምግባር ነገር፡፡ ብዝኾነ እዚ ንህዝቢ ትግራይ ብሓይሊ ንምስኳን ዝግበር ነገር፡ ልክዕ ከምቲ ደርጊ ዝወደቖ ዘውድቕ እዩ፡፡ ብርግጽ ሐዚ ኣብ ኦሮሞ ዘሎ ኩነታት ርእይኻ ፌደራል መንግስቲ ናብ ትግራይ ዝኾነ ናይ ኲናት ፈተነ እንተገይሩ 'ሱሳይዳል' (ዓርሰ ቕትለታዊ) እዩ ዝኸውን። ከምቲ ስዬ ዝበሎ፡ ኲናት ኣብ ዝኾነ ክጅምር ይኽእል እዩ፡ ኣበይ ከምዝውዳእ ኣይፍለጥን ዝብል ነገር ጥልቕ ዝበለ ሓሳብ እዩ። ብሕገ መንግስቲ ዝተረጋገጸ መሰል ክነኽብር ኢና ስለዝበለ ናብ ኲናት ምድርዳር ደርግነት እዩ። ሕገ መንግስታዊ መሰሉ ስለዝኾነ፡ መከላኸሊ ይኹን ካሊእ ጸጥታ ሓይሊታት ካብዚ ኢዶም ክእክቡ ኣለዎም። ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፡ ኲናት ግበር እንተዝበሃል'ኳ እምቢ ክብል ይግበኦ፡፡ ካብ ሕገ መንግስቲ ተበጊሱ ማለት እዩ፡፡ ዝፍትን ኣይመስለንን፡ ትግራይ መረጻ እንትካየድ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምስ ብልጽግና ኾይኑ ንህዝቢ ትግራይ ክወግእ ኣይኽእልን። ቢቢሲ፡ ዕርቀ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝኸዶ ክያዶ ከመይ ትግምግሞ? ጀነራል ኣበበ፡ ኣነ እቲ ኩነታት ይከታተሎ ነይረ እየ፡፡ መጀመርያ እቲ ሓሳብ ዘምጽእዎ ህወሓት እዮም፡፡ እዚ ሓሳብ እዚ መሰረት ገይሮም ነቲ ሓሳብ ምስተመይያየጡሉ፡ ኣብቲ መጀመርያ ድማ ጽቡቕ ናይ ምትግባር ከይዲ ተጀሚሩ፡፡ ጽቡቕ ዝመስል ነገር ነይሩ፡፡ ግን ሽዑ ከባቢ'ውን ከምዝጸሓፍኩዎ፡ ኩሉ ግዘ ሓደ ጸገም ዝኸውን፡ ኣብ ክልተ መራሕቲ ጥራሕ ወይ ኣብ ዝተወሰኑ ሰባት ይኸውን ዘሎ ስምምዕነት እዩ፡፡ እዚ ናይ ሕዚ ዘሎ ሕጽኖት (ሃኒሙን) ካልኣይ ሕጽኖት እየ ዝብሎ፡፡ እቲ ቀዳማይ ሕጽኖት ቅድሚ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ዝነበረ፡ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ሻዕብያን ዝነበረ ርክብ፡ እዚ ትካላዊ ኣይኮነን፡ ዝርዝር ዝኾነ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ኣይነበረን፡፡ ሎሚ ዝገደደ እዩ፡ ቀደምስኳ ብቑሩብ ኩሉ ዝፈልጦ ነይሩ፡፡ ሐዚ ክልተ ውልቀ ሰባት እዮም፡ ብምንታይ እዮም ተፈላልዮም? ብምንታይ እዮም ተሰማሚዖም? እተን ትካላት ከ ኣየነን እየን? መን እዩ ዝከታተለን ዘሎ ተግባራዊ ንምግባር ወዘተ ዝፍለጥ ነገር የለን። እቲ ዋና ነገር ግን እንታይ እዩ ኾይኑ፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ሰላም ከይዲ ምዃኑ ተሪፉ፡ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን ዕርክነት ኮይኑ፡፡ ኣብ ክልተ ሰባት ዝግበር ዕርክነት ድማ፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ክፈርስ ይኽእል እዩ። እቲ ዕርክነት ድማ ክንዲ ንህዝቢ ዝጠቅም፡ ኣብ ትግራይ ንዘሎ ተቓውሞ መፈራርሒ ኮይኑ። እቲ ዕርቂ ህዝቢታት ኤርትራ፥ ትግራይን ዓፋርን ኢትዮጵያን ከክንዲ ዝሓውስ፡ ንትግራይ እናዘለልካ ምኻድ ተራእዩ። ኣብ ልዕሊኡ ከዓ፡ ብወገን ፕረዚደንት ኢሳይያስ 'ጌም ኦቨር' ብምባል ናይ ምጽልእላእ ነገር ተጀሚሩ፡፡ ስለዚ ውግእ እዩ ዘሎ ዝመስል፡ በቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንህወሓት፡ ናይ ዝሓለፈ ቂም ኣለዎ ከምበርክኾ ይደሊ ኣሎ። እዚ ሕገ መንግስቲ እዚ ክፈርስ ይደሊ እዩ። በቲ ሓደ ገጽ ካዓ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ከም መፈራርሒ ይጥቀሙሉ ኣለዉ። ኣነ ሐዚ ዝርደኦ ንሱ እዩ። ዶብ'ውን ተዓጽዩ፡ ኣብ መንጎ ህዝቢታት ዘሎ ርክብ ጠንካራ ምዃኑ ምስረኣዩ ተደናጊጾም፡፡ እታ ዝነበረት ሕጽኖት እናቐሃመት ከይዳ። ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ምቹእ ኩነታት እንተተፈጢሩሎም ከመይ ክኾነ ከምዝኽእሉ ግን ኣርእዩና እዩ። እዚ ድማ ሓደ ኣወንታ እዩ፡፡ ብፍላይ ርክብ ኤርትራውያንን ተጋሩን ክንደየናይ ክኸውን ከምዝኽእል ኣርእዩ እዩ። እዚ ከዓ ዘሐጉስ ነገር እዩ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/53001661"} {"headline":"“ደቀይ ብዓይነይ ክርኢ ጥራሕ’የ ዝነብር”፡ ጋዜጠኛ ኣዲስኣለም ሓድጉ","content":"ቅድሚ 16 ዓመታት ሃንደበት ዝተፈለይኦ ኤርትራዊት በዓልቲ ቤቱን ክልተ ደቁን ክረክብ ልዑል ሃንቀዉታ ዘለዎ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ኣዲስኣለም ሓድጉ፤ ኵናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ህይወቱ ዘስዓቦ ቅልዉላዉ ንቢቢሲ ትግርኛ ኣካፊሉ'ሎ። ከምቲ ዓለም ሙሉእ ዝፈልጦ ኵናት እዘን ሃገራት ህይወት ኣሽሓት'ዩ በሊዑ። ብጣዕሚ ዝፈትዎም ክልተ ኣናኣሽቱ ኣሕዋተይ ስኢነ፡ ብስጋን ደምን ዝተኣሳሰሩ ህዝብታት'ዉን ከም ጸላእቲ ክረኣኣዩ፣ እናተነፋፈቑ ኣብ ዘለዉዎ ጉድጓድ ክነብሩ ዝገበረ ሕማቕ ፖለቲካዊ ዉሳነ'ዩ። ኲናት ክልቲአን ሃገራት፡ ህይወትን ንብረትን ኣዕንዩ ጥራሕ ዘይኾነ፡ ናተይ ስድራ ሓዊሱ ህይወት ብዙሓት'ውን በቲኑ'ዩ። 1972 ዓ\/ም ምጽላል ኣብርሃ ድራር ምስ ዝተባህለት ኤርትራዊት በዓልቲ ቤተይ እንትምርዖ ብዕድመ መሓዙት ኢና ነይርና። ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ምስ ተዓጸወ ድሕሪ ክልተ ዓመት ግና በዓልቲ ቤተይ ክልተ ደቀይ ሒዛ ጠፊኣትኒ፡ ናብ ኣስመራ ኸይዳ። ክሳብ ሕዚ ደቀይ ብዓይነይ ርእየየን ኣይፈልጥን። ኣብዞም ዓመታት፡ ትኽክለኛ ህይወት ምምራሕ እናኣበየኒ፣ ብሕልመይ ደቀይ ገለ ነገር ኾይነን እናተርኣየኒ፡ ሕማቕ ኩነታት'የ ኣሕሊፈ። በዓልቲ ቤተይ ኤርትራዊት ስለ ዝኾነት፡ ድሕሪ ኲናት ክልቲኤን ሃገራት ካብ መምህርነት ስርሓ ስለ ዝተሰጎጎት ናብ ኤርትራ'ውን ክስጎግ'የ ዝብል ስግኣት ነይሩዋ። ግን ድማ፡ ኢትዮጵያዊ ተመርዒዋ ሓዳር ከም ዝመስረተትን ኣብዚ ክትተርፍ ከም እትኽእልን ዝሕግዛ ወረቐት ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወጻኢ ወረቐት ኣዉጺአላ ነይረ። በዓልቲ ቤተይ ኤርትራዉያን ን30 ዓመታት ዘካየድዎ ቓልሲ ናጽነት ሕጋዊ ኣፍልጦ ክረክብ ኤርትራ ኣብ 1993 ኣብ ዘካየደቶ ድምጺ ህዝበ ዉሳነ'ዉን ተሳቲፋ'ያ። ኣብ ኢትዮጵያ እናነበርኹ ከመይ ኣቢለ'የ ድምጸይ ክህብ? ዝብል ስግኣት'ኳ እንተነበራ፡ እዚ ንደቅና ዝንገር ታሪክ ስለዝኾነ ክትገብርዮ ኣለኪ ኢለ ኢዳ ሒዘ ወሲደ'የ ኣምሪጸያ። \"ደቀይ ወላዲ ኣቦኦም ትግራዋይ ኢትዮጵያዊ፡ ኣዲኦም ድማ ኤርትራዊት ከም ዝኾኑ ክትነግርዮም እየ ዝደሊ። ስለዝኾነ ኣብዚ ታሪካዊ ዉሳነ ድምጽኺ ክትህቢ ኣለኪ\" ኢለያ። ኣብዚ 99 ሚኢታዊት ድምጺ \"እወ ንናጽነት\" ዝተመዝገቦ ድምጺ ህዝበ ዉሳነ ድማ ድምጺ በዓልቲ ቤተይ ኣሎ። ብዚ ምኽንያት እያ ካብ ስርሓ ተሰጒጓ። \"ሞት'ዩ ተሰሚዑኒ\" ሮቡዕ 1994 ዓ.ም በዓልቲ ቤተይ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ቤተ ሰብ ንምሕታት ካብቲ እንነብረሉ ከባቢ ናብ ካልእ ከባቢ ከይዳ ሓዲራ። ሰኑይ ደቀይ ሒዛ ክትመጽእ እንትጽበ፡ ጉዕዞ ጀሚራ ኤርትራ ከም ዝኣተወት እንትሰምዕ ናብ ገደል ዝጸደፍኩ መሲሉ ተሰሚዑኒ። እቲ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተፈጥረ ጸገም፡ ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ዝነበረ ዘይምቅድዳዉ ዝወለዶ'ዩ እየ ዝብል። ህዝቢ፡ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ መፈላለዪ ተቐሚጡዎ እምበር ኣብ ዉሽጡ ጸገም ኣይነበሮን። እንተኾነ ኣብቲ ግዜ ዶብ መሊኡ ስለ ዝተዓጸወ እግሪ እግረን ስዒበ ዘርክበሉ ዕድል ኣይነበረንን። በይነይ ምትራፈይ እንትፈልጥ ዝሞትኹ መሲሉ ተሰሚዑኒ። ናብ ስድራ ይኸይድ ኣለኹ ኢላ ብምኻድ ብኡ ገይራ ስለ ዝተረፈት ስድራይ እንተዘይትብድላ ከምዚ ዝበለ ዉሳነ ኣይትዉስንን ኢሎም መዓት ወሪዶምኒ። ኮይኑ ግና እቲ ሓቂ እዚ ኣይነበረን። ብጣዕሚ ዝከባበር፣ ዝፋቐር ስድራ'ዩ ነይሩና። ቕንዕ ኢልና'ዉን ተረኣኢና ኣይንፈልጥን። ገዛና ሰሓቕን ደስታን'ዩ ዝፍለጥ ነይሩ። ክትኸይድ እያ ዝብል ግምት ኣይነበረንን። ክልተ ዓባይን ንእሽቶን ደቀይ ሒዛ ንኤርትራ እንትትሰግር ኣብ ኤርትራ እትፈልጦ ቤተ ሰብ ስለ ዘይነበረ፡ ስደተኛ ኾይና ናብ መዕቖቢ'ያ ኣትያ። በዓልቲ ቤተይ ዓርቢ ለይቲ እንትትኸይድ ኣብ ጎረቤት ሓንቲ ወረቐት ገዲፋትለይ'ያ ኸይዳ። \"ሰብ ኣይኮነን ብኣካል ብሞት'ዉን ይፈላለ። ንኤርትራ ኸይደ ኣለኹ። ወድና ምሳኻ'የ ገዲፈዮ። ዕድል እንተረኺበ ደብዳበ ክጽሕፈልኻ'የ። እንተዘይኾይኑ ግና ኣይትሕዘን ኣይትሕመቕ፡ ዓርስኻ ሓሉ\" ዝብል ናይ ስንብት ደብዳበ እያ ጽሒፋ ገዲፋትለይ። እዚ ምስ ሰማዕኹ እንታይ ክኾን ትጽበዩ? ብደዉ ዝሞትኹ ኾይኑ ስለዝተሰምዐኒ፡ ንሓደ ሰሙን እንትሓዝን ጎረባብተይ ምሳይ ሓዚኖም። ድሕሪ እዚ ዘሕለፍኹዎ ስቓይን ህይወትን ብቃላት ክገልጾ ኣይኽእልን። እንድዒ ሰኣላይ'ዶ ምኽኣሎ? ብደዉ ዝሞተ ሰብ ኾይነ ዓቢደ ነይረ። ህይወተይ ጣዕምን ትርጉምን ስኢኑ። ሞት ተመኒኻዮ ዘይመጽእ ኮይኑ ድኣ እምበር፡ ሞተይ ዘይተመነኹሉ መዓልቲ ኣይነበረን። ኹሉ መዓልቲ ካብ ስራሕ ናብ መስተ ኾይኑ ህይወተይ። ክሳብ እቲ ሓድሽ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ኤርትራ ዝነበረ ርክብ ዘለዝብ ዉሳነ ዘመሓላልፍ፡ ክልቲኤን ናብ ሰላም ክመጽኣ'የን ኢለ ብፍጹም! ሓሲበ ኣይፈልጥን። ኩል ግዘ ኣምላኽ ኢሉዎ ደቀይ ናብ ኣዉሮጳ እንተዝወጽኣ እሞ፡ ኣብ ሳልሰይቲ ሃገር እንተንራኸብ ዝብል ተምኒት ነይሩኒ። ብመገዲ ቀይሕ መስቀል፡ ሓደ ግዜ ናብ በዓልቲ ቤተይን ደቀይን ደብዳበ'ኳ ጽሒፈ እንተነበርኹ፡ ካልኣይ፣ ሳልሳይ ጽሒፈ ግና መልሲ ክረክብ ኣይኽኣልኩን። ድሕሪኡ ተስፋ ቖሪጸ፤ ጸኒሑ ድማ ንንኡሽቶ ጓለይ ብፌስ ቡክ ክረኽባ ይፍትን ነይረ። ክሳብ ሕዚ ግና በዓልቲ ቤተይ ንምንታይ ገዲፋትኒ ከም ዝኸደት ክትነግረኒ እየ ዝደሊ። ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣይሰላም ኣይ ኵናት ኣብ ሞንጎ ደቀይን ኣነን ድማ ኣይ ሙዉታት ኣይህሉዋት ኾይንና ኢና እንነብር። ንደቀይ ኣዝመራ ኣዲስኣለምን ዳናይት ኣዲስኣለምን ብማሕበራዊ ድረ ገጽ ፌስ ቡክ ክረኽበን ይፍትን ነይረ። ንዝተወሰነ ግዘ ምስ ዳናይት ጓለይ ነዉግዕ፡ ደሃይ ንለዋወጥ ነይርና። ንኡሽቶ ጓለይ ዳናይት፡ ኩል ግዜ ከም ዝናፍቓ ትጽሕፈለይ። \"ብድምጺ'ኳ ክነዋግዐካ እንተዘይኽኣልና፡ ኩል ግዜ ግና ብዛዕባኻ ኢና ንሓስብ፤ ንናፍቐኻ ኢና\" ትብለኒ። ኣብዚ እዋን ንብዓት ዘለዎ ጽሑፍ ተጸሓሒፍና። ደሃይ ኣዲኣ ነጊራትኒ። ካብ ዝኾነ ግዜ ናብዚ ግና ብዚ መገዲ'ዉን ክረኽበን ኣይኽኣልኩን። ጓለይ፡ ካብ ኮሌጅ ቴክኒክ ተመሪቓ ናብ መሰልጠኒ ዉትህድርና ሳዋ ኣትያ። ሕዚ ወተሃደር'ያ። ኹል ግዜ ናታ ህይወት ብኣእምሮይ እንትቐርጾ፡ ንክትዛረብ ዘለዋ ጸገም ከቢድ መሓንቖ ምዃኑ'ዩ ዝስመዐኒ። ንኹሎም ደቀይ ዝፈትዎም'ኳ እንተኾንኩ፡ ንታ ንኡሽቶ ጓለይ (ዳናይት) ዘለኒ ፍቕሪ ግና ፍሉይ'ዩ። ለባም፣ ልዕሊ ዕድሚኣ እትሓስብ፣ ሰባት ቅር ክተብል ዘይትደሊ፣ ሓሶትን ስርቅን ዘይትፈቱ ፍልይቲ ፍጥረት'ያ። ደጊም ደቀይ ብዓይነይ ክርእየን እየ ዝደሊ። ሓንቲ መዓልቲ ተራኺብና ንዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ልብና ዝጸርናዮ ሕማቕ ታሪኽና ነቢዕና ክወጸልና እየ ዝብህግ። ክንከሓስ ኢለ ዝሓስቦ ሕዚ እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ኩነታት ከይደ ክርእዮ፣ ሕሉፍ ረሲዕና ክልቲኤና ህዝብታት ብፍጹም ፍቕሪ ሓቢርና ምንባር ክንጅምር፣ መጻኢና ብሩህ ዝኾነሉ ወግዒ እነዋግዐሉ ኣጋጣሚ ክህሉ'የ ዝደሊ። ደሃየን ዝረኽበሉ መገዲ ምትእልላሽ ጀሚረ ኣለኹ፡ ወደይ ይሕግዘኒ'ሎ። ሕዚ ወዲ 58 ዓመት እየ። ክሳብ ሕዚ ብህይወት ክጸንሕ'የ ዝብል ትጽቢት'ኳ እንተዘይነበረኒ፡ ደቀይን ሰበይተይን ዝርእየላ መዓልቲ ክትህሉ ብዝብል ግና ይነብር ኣለኹ። ክሳብ ሕዚ ደቀይ ብሕልመይ ይርኣያኒ። ዝሓለፈ ሰንበት ኣዴታት ኤርትራ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ከተማ ኣስመራ እንትቕበልኦ፡ ኣብ ገጽ እተን ኣደታትን ህጻናትን ደቀይን ሰበይተይን ርእየ። ደቀይ ናብ ዘለዉኦ ኣስመራ ኸይደ እየ ክረኽበን፣ ናይ ቐደም መሓዙተይ'ዉን ረኺበ ሓድሽ ህይወት ክጅምር እየ ዝደሊ። ደቀይ ተቖኒነን፣ ምዕሩግ ኽዳን ተኸዲነን ክርእየን ይደሊ። ጸጉረን ክደራርዘን፣ ኢደን ክጭብጦ፣ ጨንአን ብቐረባ ከሽትቶ፣ ባባ ኣለናልኻ ክብላኒ ይደሊ። እዛ መዓልቲ እንተድኣ መጺኣ ዳርጋ ኻልኣይ ዝተፈጠርኹ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-44817706"} {"headline":"ስለምንታይ እያ ኤርትራ ብጸገም ጎረባብታ ትሻቐል?","content":"እዚ ጽሑፍ እዚ መቐጸልታ እቲ፡ \"ኤርትራውያን ብፖለቲካዊ ቅልውላው ኢትዮጵያ እንታይ ይብሉ?\" ብዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበ ጽሑፍ ኮይኑ፡ ብርእይቶን መረዳእታን ኤርትራውያን ምሁራት፡ ኤርትራ፡ ስለምንታይ ብፖለተካዊ ኩነታት ጎረባብታ ከም እትሻቐል ክድህስስ እዩ። \"ደቂስካ ክትሓድር ጎረቤትካ ይደቅስ\" ዝብል ምስላ ኣበዋት፡ ተራ ምስላ እኳ ኣይኮነን። እንተመሰለ ዓሚቚ መልእኽቲ ዘለዎ ብተመኩሮ ህይወት ዝተደገፈ ምስላ እዩ። ብተራ ዘረባ እኳ፡ ኣብ ጎረቤት ባእስን ዕግርግርን እንተልዩ፡ ጎረባብቲ ኣይቀስኑን እዮም። እንተኺኢሎም ክዓርቁን ክሽምግሉን ኣብቲ ቅሳነት ዘይብሉ ቤት ኣለው። ልዕሊ ዓቕሞም እንተኾይኑ ከኣ ንብኡሳት ገላጊሎም ጉዳዮም ብሕጊ ክውድእዎ ናብ ትካላት ፍትሒ ክመርሑዎ ይፍትኑ። ኣብ መስርሕ እቲ ፍርዲ እውን ከም ዓረቕትን ሸምገልትን ወይ ከም ወሃብቲ ምስክርነት ክቐርቡ ስለዝግደዱ ዕግርግር ጎረቤቶም ይልክሞም'ዩ። እቲ ባእስን ህውከትን ስግር ዶብ ምስ ዝርከቡ ጎደቦታት እንተኾይኑ፡ ካብ ቤት ንብረቱ ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብተን ጎደቦታት ስለዝፈስስ እተን ዘዕቁበኦ ጎረባብቲ ክሳብ ቤቱ ዝረግእን ነናብ ዓዱ ዝመለስን ከነባብረኦን ክኽእለኦን ስለዝግደዳ ከቢድ ጾር ይስከማ። በዚ ዝተገልጸ ኣፈናዊ መረዳእታ ጥራይ እኳ ህውከትን ዕግርግርን ጎረቤትን ዘቕስን ኣይኮነን። ዶባት ኩናት ክልተ ዓመት ወጥሪ 20 ዓመት ኣኸቲሉ፡ ኣብ ዶባት ዝርከቡ አሕዋት ጎረባብቲ አህዛብ ብምፍልላዩ ብዙሕ ሰብ እዩ ተጎዱኡ። ዕርቀ ሰላም ተኣዊጁ ዶባት ምስተኸፍተ ከኣ አህዛብ ዶባት ብንብዓት ናፍቖት ተሓዋዊሱ። ደጊም ኩሉ ነገር ናብ ንቡር ክምለስ እዩ እናተባህለ ግን እቲ ቀንዲ መቐናቕቲ ህወሓት 'ገይም ኦቨር' ስለዝተባህለን፡ ምእንቲ ውሑስን ነባርን ዕርቀ ሰላም በቲ ክኸኖ ዝግበኦ ዝነበረ ኣብ መስርሕ እቲ ዕርቂ ስለዘይተሓቑፈ፡ እቲ ሕዱር ቂምን ቅርሕንትን ካልእ ጸገማት ከየኸትል ዘሻቕሎም ብዙሓት እዮም። ዶክተር ዳንኤል ረዘነ እውን ሓደ ካብኣቶም እዩ። እንተኾነ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንኩናት ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ ቀዳማይ ምኒስተር መለስ፡ 'ተወሪርና' ምስ በለ፡ ኩሉ ኢትዮጵያዊን ንሱ ንባዕሉን ዶባቱ ከኽብር ናብ ባድመ ከምዝኸተተ ሕጂ ከኣ ነቲ ብኮሚሽን ዶባት ዝተበየነ ፍርዲ ናይ ምትግባር ናይ ቀዳማይ ምኒስተር ስልጣን ምዃኑ፡ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ናይ ህዝቢ ኣኼባ ኣረጋጊጹ ኣስሚሩሉ እዩ። ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሓ ስርዓት ዓብላሊ ዝነበረ ህወሓት፡ ሕጂ ካብ ማእከላይ ስልጣን ኢትዮጵያ ተኣልዩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብታ ኮሚሽን ዶባት ንኤርትራ ዝፈረዳ ከም ጠንቂ ኵናት እትግለጽ ባድመ መሬት ይዕድልን ኣባይቲ ክስራሕን የፍቅድ ብምህላው ብግብሪ ነቲ ብይን ንምትግባር ቅሩብነት የብሉን ክብል መንግስቲ ኤርትራ ይነቅፍ። እዚ ከኣ ነቲ ዕርቀ ሰላም ዝዘርግን ዘሰክፍን ተግባር ከምዝኾነ ተዓዘብቲ ይዛረቡ። እቲ ንብይን ኮሚሽን ዶባት ብዘይ ቅድመ ኩነት ተቐቢሉ፡ ተባዕ ስጉምቲ ወሲዱ ብድፍረት ኣስመራ በጺሑ ነቲ ሕልሚ ዝመስል ዝነበረ ጉዳይ ጋህዲ ብምግባሩ ናይ ኖቬል ሽልማት ዝተቐበለ ዶክተር ኣቢይ፡ ንመስርሕ ሰላም ንቕድሚት ከይወስዶ፡ ገና ዘይተረጋግአ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣይድግፎን ዘሎ። እቲ ን18 ዓመታት ንዝምልከቶም አውሓስቲ መንግስታት ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ኢትዮጵያ ካብ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ክትወጽእ ክጽውዕ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ሕጂ ከም ቀንዲ መሻርኽቱ ዝርእዮ ዶ\/ር ኣቢይ ንምድጋፍ \"ጉዳይ ዶባት ካልኣዊ እዩ - ቅድም ፖለቲካዊ ምርግጋእ እዩ ዘገድስና\" ብምባል፡ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጉዳዩ ስለዝኾነ አእዳዉ ኣጣሚሩ ከምዘይርኢ ዝሃቦ መግለጺ ሓደ ኣብነት እዩ። ነዚ ጉዳይ እዚ ብቐረባ ዝከታተሉዎ ተዛተይቲ እዚ ዛዕባ ኤርትራውያን ምሁራት ብሓፈሻ፡ ድሕሪ ሕጂ ኢትዮጵያ ኣብ ሓድሕዳ ኮነ ምስ ጎደቦታታ ከምኡ እውን ሃገራት እዚ ዞባ ካብ ኩናት ዝኸስበኦ ነገር ስለዘይብለን፡ ብፍላይ ገሊአን ዝበዝሐ ካብ መዋእለን ኣብ ኩናትን ህውከትን ስለዘሕለፈኦ፡ ልቢ አዕብየን ሰላማዊ ጉዕዞ ክኸዳን ዘቤታዊ ኮነ ጎደባዊ ጉዳያተን ብዘተን ልዝብን ክፈትሐኦ ተማሕጺኖም። ዶክተር ዓወት ተወልደ፡ ጉዳይ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ፡ ከም ግብጺ፡ ኢሜሬት፡ ስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን ዝኣመሰሉ ሓይልታት ፖለቲካን ብዙሓት ግዱሳት ኣመሪካውያን ዲፕሎማሰኛታት ብስቱርን ቅሉዕን ዝተዋስኡሉ ጉዳይ ምንባሩን፡ መንግስቲ ኤርትራ ከኣ፡ ካብቲ ተጻዐዒኑዎ ዝነበረ እገዳ ንክላገል ልዑል ድሌት ስለዝነበሮ ነቲ ዕርቂ ብሓጎስ ከምዝተቐበሎ ይሕብር። ኣብ ርእሲኡ እውን መንግስቲ ኤርትራ፡ ብሰንኪ እቲ ብቐጻሊ ዝፍጽሞ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ካብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ልዑል ጸቕጢ የጋጥሞ ስለዝነበረ፡ እቲ ናይ ዕርቂ ኣጋጣሚ ነቲ ን18 ዓመታት ብይን ዶባት ከይትግበር ዝሓንገደን ዝዓንቀፈን መቐናቕንቱ ህወሓት ስልጣኑ ተሸምሪሩ ፡ ካብ ማእከላይ መንግስቲ ተኣልዩ ኣብ መቐለ ሰፊሩ ኢሉ ስለ ዝኣመነ ከም ዓወት ክርእዮ ግድን እዩ። ስለዝኾነ ከኣ እዩ፡ ንሕቶ ዕርቀ ሰላም ምላሽ ክህብ እንከሎ፡ \"ወያነ ገይም ኦቨር\" ዝበለ። ዋላ እውን እቲ ዕርቀ ሰላም ክፍረም እንከሎ ህወሓት ኣባል ልፍንቲ ኢህወደግ እንተነበረ እቲ ከም ሓሳብ ኣንቂሉዎ ዝበሃል ውጥን ዕርቀ ሰላም ኣብ ዘበነ ስልጣኑ ከተግብሮ ብዘይምኽኣሉ ሞራላዊ ክብሪ ኣይረኸበን። ኣብ መስርሕ እቲ ዕርቂ ዶክተር ኣቢይ ምስ ደመቐ ከኣ ንዝምድና ኢሳይያስን ኣቢይን፡ ከምዚ ጸላኢ-ጸላኢየይ ዝዓይነቱ ፍቕሪ ገይሮም ዝገልጹዎ እውን ኣይተሳእኑን። ዓብላልነት ማእከላይ ስልጣን ካብ ትግራይ ናብ ኦሮሞ፡ ካብ ህወሓት ናብ ኦሆዴድ ምስ ሰገረ፡ ህወሓት ብቐጻሊ ሕገ መንግስቲ ተጣሒሱ እናበለ እዩ ክጣራዕ ጸኒሑ። ፖለቲከኛታት ካልኦት ፖለቲካዊ ሓይልታት ከኣ 'ትማል ሕገ መንግስቲ ይጠሓስ ኣሎ፤ ድምጽና ተዓፊኑ፡ ድምጽና ካብ ሰናዱቕ ምርጫ ተሰሪቑ ኢልና ከነእዊ እንከለና ዘይሰምዓና ሓይሊ ሕጂ ንብዓት ሓርገጽ እንተነብዐ መን ክሰምዖ ይኽእል' ክሳብ ምባል በጺሖም። እዚ ኸኣ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ዝምድና ውድባት ልፍንቲ ከኣ ብፍላይ ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቐን ውዒሉ ሓዲሩ ፍጹም ፍትሕን ምፍልላይን ከምዝስዕብ ርኡይ ምልክት ነይሩ። ኣብ መወዳእትኡ ከኣ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ነቲ ኢህወደግ ክምረሓሉ ዝጸንሐ\"ወያናይ ዴሞክራሲ\" ዝብል ዝጸንሐ ኣይድዮሎጂ ብ \"መደመር\" ቀይሩዎ፡ መራሕቲ ህወሓት ግን ኣይምእምኣናን እዩ ኢሎም ካብቲ ልፍንቲ ወጺኦም፡ ንዓኣቶም ምስ ዝመስሉ ሓይልታት ፈደራል ክሻረኹ ይሰርሑ ኣለው። ዶ\/ር ዳንኤል፡ እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ኣስመራን ዘለው ሓይልታት፡ ንህወሓት ከም ሓደ ዝነደየ ሓይሊ እኳ ይርእዩዎ እንተለው፡ ህወሓት ግን፡ ገና ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ዘሎ፡ ኣብ ምርግጋእን ሰላምን ናይ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ነባሪ ዝምድናታት ኤርትራን ኢትዮጵያን እውን ናይ ገዛእ ርእሱ ግደ ክጻወት ከምዝኽእል እዩ ዝኣምን። መንቀሊ እቲ ዘተ፡ \"ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ንኤርትራ ብኸመይ ክጸልዋ ይኽእል?\" ዝብል ብምዃኑ፡ ዶር ኣዳነ፡ ብፕረዚደንት ኢሰያስ ዝውከል መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ቁርቁስ ናይ ኢትዮጵያ ሸምጋልን ኣታዓራቕን ኣብ ክንዲ ምዃን ናይ ሓደ ወገን ጸግዒ ወሲዱ ነገራት ክሓላልኽ እንተፈቲኑ እቲ ዕንወት ቀሊል ከምዘይከውን እዩ ዝዛረብ። \" ከምኡ ዓይነት ተግባር ንኢትዮጵያ ኮነ ንኤርትራ ስለዘየርብሕ ዝኾነ ወገን ክቕበሎ የብሉን\" ድማ ይብል። ምኽንያቱ፡ ይብል ኣዳነ፡ ምጉቱ ብምቕጻል፡ ብቐዳምነት፡ ኤርትራ ዘይተወደአ ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ዛዕባ ኣለዋ። ኣብዚ እዋን እዚ ከም ሃገር ደው ክትብልን፡ ዝኸሰረቶ ዕድልን ግዜን ክትመልስ እቲ ዝድለን ዝግባእን ናይ ለውጢ መስርሕ ከተተኣታቱን ሃገራዊ ርግኣትን ሓድነትን ከተረጋግጽ እያ ክትሰርሕ ዝግበኣ። ስለዚ እቲ መንግስቲ፡ ዓራቒ ምኽሪ ከቐርብ ጽቡቕ'ዩ፡ ዓመታት ዝበልዐ ገዚፍ ዕዮ ገዝኡ ኣወንዚፉ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ጎደቦ ክዋሳእ ግን ዓቕምን ሞራላዊ ብቕዓትን ከምዘይብሉ የረድእ። ዝኾነት ሃገር ጎደቦኣ ብፖለቲካዊ ቁርቁስ እንዳተቐላለወ ናይ ሰላም ደሴት ክትከውን ኣይትኽእልን እያ። \"ብልጽግና ፓርትን ህውሓትን ካልኦት ፖለቲካዊ ሓይልታትን ኢትዮጵያ ብጉዳይ ምርጫን ምስግጋር መንግስትን ይሰሓሓቡ ኣለው። ድሮ እውን ንዕኡ ዝምልከት ቅዋማዊ መስርሕ ጀሚሮም ይኸድዎ ኣለው። ግን ናይ ብሓቂ ፍትሓዊ መፍትሒ ድዩ ክወሃቦ ወይስ ክዕምጸጽ'ዩ ግን ምስ ግዜ ዝረአ እዩ።\" ይብሉ ተዛተይቲ እዚ ዛዕባ፡ እቲ ውጽኢት ንኹላቶም ብዘረዳድእ መገዲ-ዕርቂ ክውዳእ ብምትስፋው። \"መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ፖለቲካ ናይ ኢትዮጵያ ብሃናጺ መገዲ እምበር ብኣሉታ ክዋሳእ የብሉን\" ዝብል ዶ\/ር ዳንኤል፡ እንተኾነ፡ ንሕሉፍ ታሪኽ እቲ ስርዓት ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ፖለቲካዊ መሪሕነት፡ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ባህሪኡን ተመኩሮኦን፡ ኣብ ሰላማዊ ርጉእ ፖለቲካ ሃዋህውን ክሰርሕ ይኽእል'ዩ ዝብል እምነት ከምዘይብሉ ይዛረብ። \"እቲ ጎደቦታት ብፖለቲካዊ ቁሩቁስ ህወሓትን ህግደፍን ተሃዊኹ ብምጽንሑ፡ ርግኣት ኢትዮጵያ ንኤርትራን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጽልዋ ክህልዎ'ዩ\" ዝብል ዶ\/ር ዓወት፡ ዝኾነ ሰላምን ምርግጋእን ዝደሊ ፖለቲካዊ ሓይሊ እቲ ን18 ዓመታት ተኾሊፉ ዝጸንሐ ብይን ኮሚሽን ዶባት ብዝቐልጠፈ ክትግበርን ነባሪ ሰላም ክረጋገጸን ይጽውዕ። እቲ ብስም ሰላም ብኣፍ ዝዝመርን ኣብ ባይታ ዝግበርን ክሳነ ኣለዎ፡ ክብል ከኣ የስምረሉ። ብይን ኮሚሽን ዶባት ብዙሕ ካብ መሬት ኤርትራ ንኢትዮጵያ ስለዝሃበ፡ ብዙሓት ንኤርትራውነቶም ዋጋ ዝኸፈሉ ዜጋታት፡ ሃንደበት ምስ ኢትዮጵያ ኢኹም ይበሃሉ ስለዘለው፡ መጻኢኦም ተንጠልጢሉ ኣብ ሻቕሎት እዮም ዘለው። ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ምስታ ናይ ዶብን ካሕሳን ኮሚሽን ሳልሰይቲ ኣገዳሲትን ሱር መሰረት እቲ ግጭት ኣጽኒዓ ሓላፍነት እተሰክም ኮሚሽን እውን ክትምስረት ነይሩዋ። ግን እታ ኮሚሽን ኣብ ዘበነ ህወሓት ኮነ ኣቢይ ኣይተመስረተትን። መንግስቲ ኤርትራ እውን ነዚ ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ከም ኣርእስቲ ኣየምጽኦን። ዶ\/ር ዓወት፡ ኣብ ርግኣት ኢትዮጵያ፡ ርግኣት ኤርትራ እውን ስለዘገድስ፡ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ዘኽብር፡ ቀዳምነታቱ ዝነጸረ ውሑስ መስርሕ ዕርቀ ሰላም ምስ ዝሰኣል፡ ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣብ ምህዳእ እውን ተራ ክህልዎ ከምዝኽእል እዩ ዝኣምን። ኤርትራ ብጸገም ጎረባብታ እትሻቐል እምበኣር ምስ ጎደቦታታ ብዙሕ ዘይተወደአ መዓልቦ ክሕዝ ዘለዎ ጉዳይ ስለዘለዋ እዩ። ሓደ ካብኡ ከኣ እቲ ን20 ዓመት ንኤርትራን ኢትዮጵያን ፈላልዩ ዝጸንሐ ኣይኩናት ኣይ ሰላም እዩ። በዚ ጉዳይ እዚ ልዕሊ ማንም ዝተሃስየት እታ ውሑድ ዝብዝሒ ህዝባን ድሩት ዝቑጠበኣን ኤርትራ እያ። ብምኽንያት እዚ ጉዳይ ብዝተስገደደ ምንዋሕ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ፍልሰት ኣሽሓት መንእሰያት እታ ሃገር ኣኸቲሉ እዩ። ሕጂ እቲ ናይ ጽልእን ህልኽን ምዕራፍ ተዓጽዩ ሓዲሽ ናይ ሰላምን ምርግጋእን ናይ ምትሕግጋዝን ምክብባርን መድረኽ ክኽፈት ድሌትን ባህግን ናይ ኩሉ ደላይ ሰላም ኤርትራውን ኢትዮጵያውን እቲ ዞባን እዩ። ተዛተይቲ እዚ ዛዕባ ከኣ እቲ ዛጊት ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ዝነኣድ ምዃኑ እዮም ዝግምግሙ።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/53001659"} {"headline":"ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ከም መብጽዕኡ’ዶ ይኸይድ ኣሎ?","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ፈለማ ናብ ስልጣን ክመጽእ እንከሎ ‘ለውጢ ክፈጥር ዘንቀለ ዓራያይ’ ዝብል ስም እዩ ተዋሂብዎ። ናይ ብሓቂ’ውን፡ ኣብ’ቲ ፈለማ ብዙሕ ምምሕያሽ ከተኣታቱ ፈቲኑ። ብፍላይ፡ ኣብ’ታ ሃገር ነዊሕ ንዝጸንሐ ፖለቲካዊ ምልኪ ናብ ደሞክራስያዊ መገዲ ከሰጋግሮ’ዶ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ነይሩ። ልዕሊ ኹሉ ኸኣ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ሃዋህው ‘ኣይኩናት ኣይ ሰላም’ ኣብቂዑ ሓድሽ ምዕራፍ ንክኽፈት ብዝወሰዶ ተባዕ ስጉምቲ፡ ብዙሓት ‘ኣገናዕ’ ኢሎምዎ። ኮሚቴ ሽልማት ኖቤል’ውን፡ ኣብዪ ኣሕመድ ተሸላሚ ኖቤል ሰላም 2019 ክኸውን ክውስን እንከሎ፡ እቲ ዝዓበየ ኣብ ግምት ዘእተዎ ነገር፡ ነቲ ምስ ኤርትራ ዝገበሮ ዕርቀ ሰላም እዩ። ካብኡ ብተወሳኺ ግን፡ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ንዘተኣታተዎም ‘ዕርያታት’ (ሪፎርምስ) እውን እቲ ኮሚቴ ኣፍልጦ ሂብዎ እዩ። “ኣብዪ ኣሕመድ ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝኾኑ፡ ንብዙሓት ዜጋታት ተስፋን ብሩህ መጻእን ዝህቡ ዕርያታት ጀሚሩ ኣሎ” ክብል ኮሚቴ ሽልማት ኖቤል ኣብ’ቲ እዋን ምስክርነቱ ሂቡ ነይሩ። ካብቶም ብኮሚቴ ኖቤልን፡ ካልኦት ዓለምለኸ ተዓዘብትን ጽቡቕ ስም ዘውሃብዎ ዕርያታቱ ኸኣ፡ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ከምዘብቅዕ ምግባሩ፣ ንእሱራት ፖለቲካ ብምሕረት ምፍትሑ፣ ኣብ ልዕሊ ሚድያ ዝጸንሐ እገዳ ምልዓሉ፤ ዘይሕጋውያን ተባሂሎም ንዝነበሩ ውድባት ፖለቲካ ሕጋውያን ምግባሩ ከምኡ ድማ ናጻን ዴሞክራስያውን መረጻ ክገብር ምምጽብዑ\/ምምብጽዑ እዮም። እቲ ሕቶ ግን ‘ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ከም መብጽዓኡ\/መጽብዓኡ’ዶ ይኸይድ ኣሎ?’ ዝብል እዩ። ናጽነት ሚድያ ኣብ 2018፡ ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ተዓጽዮም ዝነበሩ ልዕሊ 200 ዌብሳይታት ተኸፊቶም። ኣብ ስደት ኮይኖም ዝሰርሑ ዝነበሩ ሚድያታት’ውን ናብ ዓዶም ክኣትዉ ተፈቒዱሎም። ብዙሓት፡ ኣብ’ታ ሃገር ዝሓሸ ናጽነት ሚድያ ክሰፍን ከምዝኽእል ኣተስፍዮም። ኣብ’ቲ ሽዑ እዋን፡ ነዚ ተስፋ ሰኒቖም ካብ ደገ ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣተዉ ሚድያታት ሓደ፡ ኦሮሚያ ሚድያ ኔትዎርክ (ኦኤምኤን) እዩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤት ጽሕፈቱ ከፊቱ ካብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ጸብጻባት ከቕርብ ጀሚሩ። እንተኾነ፡ ድሕሪ ቕትለት ስነ ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተወለዐ ናዕቢ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ኦኤምኤን ተዓጽዩ፡ ጋዜጠኛታቱ’ውን ተኣሲሮም ኣለዉ። ሓይልታት ጸጥታ፡ ናብ ቤትጽሕፈት እቲ ሚድያ ብሓይሊ ከምዝኣተዉን ምጽራይ ንምግባር የድልየና እዩ ዝበልዎ ንብረት ናይቲ ሚድያ ከምዝወሰዱን ክግለጽ ጸኒሑ ኣሎ። መንግስቲግን ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ሚድያታት ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ኣብ ኦኤምኤን ጥራይ ዝተሓጸረ ኣይነበረን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ድምጺ ወያነ’ውን ብሓይልታት ጸጥታ ተፈቲሹ ከምዝተዓጽወ ተገሊጹ እዩ። ድሕሪ’ዚ ኸኣ፡ ካብ ትግራይ ዝፍነዋ ቴሌቪዥናት ድምጺ ወያነን ትግራይ ቴሌቪዥንን፡ ብትእዛዝ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፈነወአን ካብ ሳትላይት ብምቁራጹ ከሲሰን እየን። ኣስራት ዝበሃል ካልእ መደብር ቴሌቪዥን’ውን ብመንግስቲ ምጽራይ ይግበረሉ ከምዘሎ ተገሊጹ ነይሩ። መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ፡ እዞም ሚድያታት፡ ናይ ብሄር ጎንጺ ንክለዓልን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዕግርግር ንክፍጠርን ከጓሃህሩ ጸኒሖም ክብል’ዩ ዝኸሶም። ብ30 ሰነ መግለጺ ዘውጸአ፡ ንመሰላት ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ትካል ሲፒጄ ድማ፡ ሰብ መዚ ንጋዜጠኛታት ኦኤምኤን ክፈትሑ ሓቲቱ እዩ። “ስርሖም እናሰርሑ ንዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ኦሮሚያ ሚድያ ኔትዎርክ ፍትሕዎም” ክብል እቲ ዓለማዊ ትካል ጻዊዒቱ ኣቕሪቡ። ነናሻዕ ዝዕጾ ኢንተርኔት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ‘ኳሕ’ እናኽብልን ጸገም ምስዘጋጥምን ተቐዳዲምካ ኢንተርኔት ምዕጻው ንቡር ኮይኑ’ሎ። ተቓውሞን ዕግርግርን ክለዓል ከሎ፡ ኢንተርኔት ምጥፋእ ልሙድ እዩ። ኣብ ነሓሰ 2019፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብዛዕባ ምዕጻው ኢንተርኔት ክዛረብ እንከሎ “ኢንተርኔት ማይ ወይ ከኣ ኣየር ኣይኮነን” ብምባል፡ እንተደኣ ኣብ’ታ ሃገር ጸገማት ዘጋጥም ኮይኑ ኢንተርኔት ምዕጻው ከምዝቕጽል ተዛሪቡ ነይሩ። ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ፡ ብውሕዱ 4 ግዜ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ተዓጽዩ እዩ። “ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብሰንኪ ፖለቲካዊ መንቀሊ ኢንተርኔት ምዕጻው እናገደደ’ዩ መጺኡ” ይብል ኔትብሎክስ ዝተባህለ ንምኽልካልን ምዕጻውን ኢንተርኔት ዝቆጻጸር ገባሪ ሰናይ ትካል። እቲ ዝኸፍአ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ምዕጻው ኢንተርኔት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘጋጠመ እዩ። መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ከባቢታት ምዕራብ ኦሮሚያ ምስ ዕጡቓት ኦሮሞ ገና ይዋጋእ እዩ ዘሎ። ኣብ’ዚ ከባቢታት ኸኣ፡ ክሳብ ወርሒ መጋቢት ንሰለስተ ወርሒ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ተዓጽዩ እዩ ጸኒሑ። ኣብ'ዚ ቀረባ እዋን ድማ፡ ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ናዕቢ ምስ ኣጋጠመ፡ ካብ 30 ሰነ ጀሚሩ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ንሰሙናት ተዓጽዩ እዩ። ማእሰርቲ ፖለቲከኛታት ድሕሪ’ቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነን ድሕሪኡን ዝተራእየ ናዕብታት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንፍሉጣት ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያ ኣሲሩ ኣሎ። ብ30 ሰነ፡ ክልተ ስሙያት ፖለቲከኛታት ኦሮሞ፡ ኣባላት ፌደራሊስት ኮንግረስ (ኦፌኮ) ጃዋር መሓመድን በቀለ ገርባን ተኣሲሮም። ኣብ'ቲ ፈለማ፡ ኣይተ በቀለ ገርባ ምስ ክልተ ደቁ ከምዝተኣሰረ’ውን ተገሊጹ እዩ። ካልእ ፍሉጥ ፖለቲከኛ፡ ኣቦወንበር ሰልፊ ባልደራስ ንሓቃዊ ደሞክራሲ፡ ኣቶ እስክንድር ነጋ እውን ኣብ ቀይዲ አእትዩ እዩ። ኣባላት ባልደራስ ዝኾኑ ኣቶ ስንታየሁ ቸኮልን ወይዘሮ ኣስቴር ስዩምን’ውን ተኣሲሮም ኣለው። ጸኒሑ ድማ፡ ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ (ኦፌኮ) ኣቶ ደጀኔ ጣፋ ከምኡ ድማ ናይ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ) ኮሎኔል ገመቹ ኣያና ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ተገሊጹ። ካልእ ፍሉጥ ፖለቲከኛ ይልቃል ጌትነት’ውን ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ኣሎ። ካብ’ዚ ብተወሳኺ፡ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣቶ ተወልደ ገብረፃድቃንን ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ነበር ኣይተ ተስፋኣለም ይሕደጎን’ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ተቐይዶም። መንግስቲ፡ እቶም ዝተኣሰሩ ፖለቲከኛታት፡ ኣብ’ታ ሃገር ናዕብን ዕግርግርን ክፈጥሩ ይሰርሑ ነይሮም ብዝብል እዩ ዝኸሶም። ተዓዘብቲ ፖለቲካ ግን፡ ኣብዪ ኣሕመድ ተቓወምቲ ምዕፋንን ንምድኻምን ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ገይሮም እዮም ዝርእይዎ። ምእሳር ናይዞም ፖለቲከኛታት ድማ፡ ነታ ሃገር ናብ ዝገደደ ኩነታት ከይሽማ ስግኣት ኣለዎም። ንመሰል ሰባት ዝሕለቕ ዓለማዊ ትካል ሂዩማን ራይትስ ዎች ንማእሰርቲ ጃዋር መሓመድን በቀለ ገርባን “ዘሻቕል” ክብል ገሊጽዎ። መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ስጉምትታት ይወስድ ኣሎ ዝብል ክስታት ክቐርበሉ እዚ ንመጀመርያ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ፡ ዓለማዊ ትካል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ናይ ተቓውሞ ሓሳባት መጥቃዕቲ ይፍጽሙ ኣለዉ ክብል ከሲሱ ነይሩ። “ናይ ተቓውሞ ነጠፍትን ደገፍትን ከምቲ ቀደም ብጅምላ ክእሰሩ ምጅማሮም ኣብ ኢትዮጵያ ዘሻቕል ኩነታት ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ” ክብል ኣምነስቲ ኣብ’ቲ እዋን ገሊጹ ነይሩ። ድሕሪ'ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ናዕቢ ግን፡ ፍሉጣጥ ፖለቲከኛታት ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ኣስታት 7000 ሰባት እዮም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፤ ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣመራርሓ ኢህወዴግ ንዝፍጽምዎ ዝነበሩ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ብምንቃፍ እዩ ዝፍለጥ። ኣብ 29 ግንቦት ዝወጽአ ዓሚዩቕ ጸብጻብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ግን፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣቢይ ኣሕመድ’ውን ዘስካሕክሕ ግፍዕታትን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ከምዝፈጸሙ እዩ ዝኸስስ። እቲ ትካል ከምዝብሎ፤ ኣብዪ ኣሕመድ ሽልማት ኖቤል ኣብ ዝተቐበለሉ ዓመት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን፡ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን መደበኛ ዘይኮኑ ዕጡቓት ተሓባበርቶምን ቅትለት እውን ዘጠቓልል ብዙሕ ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ፈጺሞም። “ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ፤ መንበሪ ኣባይቲ ኣቃጺሎም፣ ብዘይፍርዲ ቅትለት ፈጺሞም፡ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሞም፣ ገለ እዋናት ንምሉእ ስድራ ዝርከቦም ሰባት ብግፋ ኣሲሮም” እዩ ዝብል እቲ ጸብጻብ። ነዚ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ኣብ ቀረባ መዓልታት መልሲ ዝሃበ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ'ውን ነቲ መገልጺ 'ሻራዊ' ክብል እዩ ነጺግዎ። እቲ፡ ዓቓቢ ሕጊ ከምኡ እንተበለ’ኳ፡ እቲ ጸብጻብ ሙሉእ ንሙሉእ ሕሶት ከምዘይኮነ ግን ባዕሉ ኣብ መግለጺኡ ኣሚንሉ ኣሎ። “ገለ ካብቶም ኣብቲ ጸብጻብ ዝተጠቐሱግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት፡ ብኽፋል ሓቃውነት ኣለዎም” ኢሉ እዩ። ምንዋሕ መረጻ ኣብዪ ኣሕመድ ብዙሕ ድጋፍን ናእዳን ካብ ዝረኸበሎም መጽብዓታቱ እቲ ቀንዲ፡ ደሞክራስያውን ፍትሓውን መረጻ ንምክያድ ዛኣተዎ ቃል እዩ። ብተደጋጋሚ “ከሳግረኩም እየ” እናበለ መብጽዓ ይኣቱ ብምንባሩ ድማ፡ ብዙሓት ልዑል ተስፋ ነይሩዎም። ኣብ’ዚ እዋን፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እቲ ኣብ’ዚ ዓመት ክካየድ ዝነበሮ መረጻ ምስተናውሐ ግን፡ ብገለ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብዪ ኣሕመድ ስልጣኑ ንምንዋሕ ነዊሕ ርሕቐት ይኸይድ ኣሎ ዝብል ክስታት ይቐርበሉ ኣሎ። ንምንዋሕ መረጻ ኣትሪሮም ካብ ዝነቕፉ ዘለዉ ውድባት ፖለቲካ፡ ሓደ ህወሓት ክኸውን ከሎ፡ ንኣብዪ ኣሕመድ “ናብ ውልቀ መላኽነት ተቐይሩ” እናበሉ’ውን ይኸስዎ። ኣብዪ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ንህወሓት ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመጽአ ለውጢ ንድሕሪት ክመልስዎ እዮም ዝደልዩ ክብል’ዩ ዝወቕሶም። በዚ በለ በቲ ግን፡ ኣብዪ ኣሕመድ ብባይቶ ኣቢሉ ስልጣኑ ኣናዊሑ ኣሎ። ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብቂዑ መረጻ ክሳብ ዝካየድ ኣብዪ ኣሕመድን ባይቶታት ናይ’ታ ሃገርን ዕምሪ ስልጣኖም ክናዋሕ እዩ ተወሲኑ። ዋላ’ኳ እቲ ኸይዲ ብባይቶ እታ ሃገር ዝተወሰነ እንተኾነ፤ እቲ ባይቶ ናይ ኣብዪ ኣሕመድ ሰልፊ ዝዕብልሎ ብምዃኑ እቲ ውሳነ ንድልየት ኣብዪ ኣሕመድ ዘንጸባረቐ እዩ ብዝብል ተቓወምቲ ይኸስስዎ ኣለዉ። እቲ መረጻ ናይ ምንዋሕ መስርሕ ድማ ንኹሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘየሳተፈ እዩ ነይሩ ዝብል ክሲ’ውን ይቐርብ እዩ። ኣብ ርእሲ ህወሓት፡ ኦፌኮን ኦነግን’ውን ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ንምንዋሕ ዕምሪ ስልጣን ባይቶታት ተቓዊሞምዎ እዮም። መንግስቲ ክልል ትግራይ ነዚ ውሳነ ተቓዊምዎ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ውሳነ ነጺጉ ናይ ባዕሉ መረጻ ከካይድ ምዃኑ እዩ ኣፍሊጡ። ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ግን፡ ኣብ ትግራይ መረጻ ከካይድ ኣይኽእልን ብምባል ነቲ መረጻ ከካይድ ንዝቐረበሉ ሕቶ ነጺግዎ። ድሕሪ’ዚ ድማ፤ ክልል ትግራይ ብኣዋጅ ናይ ባዕላ ኮሚሽን መረጻ ኣቑማ ኣባላት ሰይማ ስራሕ ጀሚራ ኣላ። እንተኾነ፡ እዚ ከይዲ ገና ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ሕጋዊ ምስሕሓባት ከይፈጥር ስግኣት ኣሎ። እዚ ምዕባለ ድማ፡ ነቲ ቀዲሙ’ውን ኣብ መንጎ ክልቲኦም መንግስታት ዝነበረ ምትፍናን ከጋድዶ እዩ ዝብል ስግኣት ፈጢሩ’ሎ። ዘይተወደአ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቅን ዕርቀ ሰላም ምስ ኣውረዱ፡ ዜጋታት ክልቲአን ሃገራት ብሩህ መጻኢኦም እናሐሰቡ፡ ነቲ ዕርቂ ብጽቡቕ መንፈስ ጸምቢሎምዎ። ብፍላይ ድማ እቲ ዶባት ምስተኸፈተ፡ ንዕስራ ዓመታት ዝተበታተኹ ስድራታትን ‘ኣብ ኩናት ዝጸንሑ ኣሕዋትን’ ክተሓዋወሱ ግዜ ኣይወሰደሎምን። እንተኾነ፡ እቲ ዶባት ብዙሕ ከይጸንሐ ተመሊሱ ብምዕጻው፡ ሻቕሎት ዓሪጉ ኣሎ። እናቐነየ ድማ፡ ዋላ’ኳ ኣብ መንጎ ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዘሎ ምሕዝነት ጽቡቕ እንተኾነ፡ ኣብ መንጎ መራሕቲ ህወሓትን ፕረዚደንት ኢሳይያስን ዝጸንሐ ቅርሕንቲ ቀጺሉ እዩ ዘሎ። ህዝቢ ድማ፡ መራሕቱ ናብ ውግእን ወረ ውግእን ከይመልስዎ ክሰግእ ጀሚሩ’ሎ። እዚ ድማ ነቲ ሰላም ምሉእ ከምዘይኸውን ገይሩዎ ኣሎ። ፖለቲካዊ ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ ዶ\/ር ኣቢይ እዚ ፖለቲካዊ ወጥሪ ንምሕደራ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ጸገም ኮይኑዎ ኣሎ። ኣብ ኦሮሚያ ገና ምስ ዕጡቓት ይዋጋእ ኣሎ። ገለ ከባቢታት ኦሮሚያ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዕማም ካብ ዝመሓደር ጸኒሑ’ሎ። ኣብ’ዚ እዋን፡ ካብ ተወለድቲ ኦሮሞ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ተቓውሞታት ይቐርብ ኣሎ። ብወገን ሰሜን ከኣ፡ ምስ ህወሓትን መንግስቲ ትግራይን ኣብ ሓያል ምትፍናን ኣትዩ'ሎ። እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ምስሕሓብ ዓሪጉ፡ ናብ ኩናት ከየምርሕ ስግኣት ካብ ዝፍጠር ውዒሉ ሓዲሩ’ሎ። ኣብ ማእከል ሃገር እውን ኣብ መንጎ ብሄራት ዘሎ ቅርሕንቲ ተጓሃሂሩ ‘ናብ ኩናት ሕድሕድ ከየምርሕ’ ዝብል ስግኣታት እውን ኣሎ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ተፈጢሩ ዘሎ ስግኣታት ናብ ዘይድለ መኣዝን ከይዓርግ ንከህድኦን ከዝሕሎን ልዑል ሓላፍነት ዘለዎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ እዩ ይብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ እታ ሃገር።","category":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮ - ኤርትራ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53496351"} {"headline":"ብሰንኪ ምዕባይ ሓዉ ኣብ ማእሰርቲ ዝማስን ዘሎ ቱኒዝያዊ","content":"ወዲ 19 ዓመት ቱኒዝያዊ ኣሲም ኣብ መዳጐኒ ማእከላት ሶርያ ንሓሙሽተ ዓመታት ተኣሲሩ። ንሱ ወዲ ዓሰርተ ዓመት እንከሎ ምዕባይ ሓዉ ናብ ኣይኤስ ክትጽምበር ኢኻ ኢሉ ምስ ወሰዶ ክሳብ ሕጂ ኣብ ማእሰርቲ'ዩ ዘሎ። \"መሃንዲስን ሓኪምን ክኸውን ዝኽእለሉ ግዜ ስለዘምለጠኒ ደጊም ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ክኸውን'የ ዝደሊ\" ይብል።","category":"ኲናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c8v1y5g5756o"} {"headline":"ኣገልግሎት ሓይሊ ኤለክትሪክ መቐለ ኣብ ሕሉፍ ክልተ ዓመት","content":"ሰራዊት ኢትዮጵያ ንመቐለ ካብ ዝተቖጻጸርሉ ሕዳር 2020 ንድሓር ኣብ ዘሎ ግዜ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤለክትሪክ መቐለ እንታይ ከምዝመስል፡ ቢቢሲ ካብ ናሳ ብዝረኸቦ ምስልታት ሳተላይት ኣሰንዩ እዚ ዝስዕብ ቪድዮ ኣዳልዩ'ሎ።","category":"ኲናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cjme70lmrg2o"} {"headline":"‘ናብ ስድራና ዝተላእከ 6 ሽሕ ዩሮ ተቐቢሉ ጠፊኡኒ’","content":"ህዝቢ ትግራይ፡ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ካብ ስሩዕ ናብራን ሰላማዊ ህይወትን በዂሩ ምስ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ኲናት እዩ ዝርከብ። ብዙሓት ግን፡ ነቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበሮም ህይወትን ምሕዝነትን፡ ትምህርትን ስራሕን፡ ብዓቢኡ ከኣ ነቲ ዘይጽገብ ሰላም ይናፍቕዎ። “ኣብ መቐለ ዝነበረኒ ህይወትን ስራሕን ይፈትዎ እየ። ኣብ ወጻእ ሃገር ክነብር እየ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን። ተማሂረ ዝረኸብክዎ ልምድን ተመኵሮን ንሕብረሰተበይ ከገልግለሉ’የ ኢለ እየ ዝሓስብ ነይረ” እትብል ሰላም ባለሀኝ ሓንቲ ካብኣቶም’ያ። ሰላም፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ክኢላ ስርዓተ-ጾታ ኰይና፡ እቲ ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ናጻ ዕድል ትምህርቲ ረኺባ ናብ ሃገረ ቤልጅም ከይዳ። ሕጂ ግን፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ናብ ዓዳ ክትምለስ ኣይከኣለትን። እቲ ኲናት ሓድሕድ ብዘሰናኸሎ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኣስታት ሽዱሽተ ሚልዮን ህዝቢ ኣገልግሎት ባንኪ ክረክብ ኣይከኣለን። እቲ ምቁራጽ ፋይናንሳዊ ኣገልግሎት ድማ፡ ናብቲ ክልል ገንዘብ ምልኣኽ ኣጸጋምን ኣዝዩ ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትትን እዩ። ነዚ ስዒቡ፡ ገለ ስድራቤታት ገንዘብ ንምርካብ ኣቑሑ ገዝኦምን ካልእን ሸይጦም’ዮም። ገሊኦም ድማ፡ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝነብሩ መሓዙትን ስድራን ዝልኣኸሎም ገንዘብ’ዮም ዝጽበዩ። ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም እንከይተረፈ፡ ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ስድርኡ ክረኽቦምን ገንዘብ ክሰደሎምን ከም ዘይክኣለ ሓቢሩ ነይሩ። “ኣብኡ ብዙሓት ኣዝማድ ኣለውኒ፤ ገንዘብ ክሰደሎም እደሊ’የ። ክሰድድ ግን ኣይክኣልኩን” ክብል ኣብቲ ብ25 ነሓሰ 2022 ዝሃቦ መግለጺ ጠቒሱ። እቶም ከም ሰላም ዝኣመሰሉ ኣብ ወጻእ ሃገር ኰይኖም ስድርኦምን ፈተውቶምን ዝሕግዙ ዘለው ሰባት ግን፡ ገንዘብ ንምልኣኽ ኣዝዮም ዝተሓላለኹን ዋሕስ ዘይብሎምን መገዲታት ክጥቀሙ ጸኒሖም ኣለው። እቲ ነገር ሕጂ’ውን ይቕጽል ኣሎ። ሰላም፡ “ብህይወት ንምጽናሕ፡ ንብዓት እናተሓናነቘም ገንዘብ ልኣኹልና ስለ ዝብሉና፡ ገንዘብና ልዕሊ ፍርቂ እናተበልዐ ዘይሕጋዊ መገዲ ክንጥቀም ተገዲድና” ትብል። ካብቲ እትጥቀመሉ ዝተፈላለየ መገዲ እቲ ሓደ፡ ኣብ መቐለ ኰይኖም ገንዘብ ክህቡ ንዝኽእሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከቡ ሰባት ምልኣኽ እዩ። ካልኦት ክልተ መገዲታት ድማ፡ ብሸነኽ ክልል ዓፋርን ኣብ መዋስንቲ ከባቢታት ኣምሓራ ብዝንቀሳቐሱ ተመሳሳሊ ስራሕ ዝሰርሑ ኣስገርቲ ገንዘብ ዘለው ኣማራጺታት’ዮም። እዚ፡ ምዝውዋር ገንዘብ ሓደ ረቛሒ ኣለዎ። መጀመርታ እቲ ልኣኺ፡ ምስቶም ገንዘብ ዘስግሩ ሰባት ብመሰረት ዝገብሮ ስምምዕ፡ ካብ 30 ክሳብ 50 ሚእታዊት ዓስበ-ድለላ ክኸፍል ይዋገ። ክልቲኦም ምስ ተሰማምዑ ከኣ እቲ ዝተረፈ ገንዘብ ነቲ ተቐባሊ ይበጽሖ። እቲ ብሸነኽ ዓፋር ዘሎ ምንቅስቓስ፡ ዝኽፈሎ ሚእታዊት ካብቲ ናይ ኣዲስ ኣበባ ዝተሓተ'ኳ እንተዀነ፡ ናብ ዝምልከቶ ክሳብ ዝበጽሕ ሰለስተ ወርሒ ክወስድ ከም ዝኽእል ተጠቀምቲ ይዛረቡ። እታ ነቲ ለኣኺ ገንዘብ ዘላቶ እንኰ መተኣማመኒት “እምነት” ጥራሕ ስለ ዝዀነት፡ ገሊኦም ኣስገርቲ ድምጺ ወይ ምስሊ እቲ ተቐባሊ ስድራ ቀሪጾም ብምምጻእ’ውን ግቡኦም ከም ዝፈጸሙ መረጋገጺ ይሰዱ’ዮም። ነዞም ኵሎም ኣማራጺታት ከም ዝተጠቐምትሎም እትዛረብ ሰላም፡ ሓደ ግዜ፡ “ሓወይ ሓሚሙ ስለ ዝነበረ፡ ንመሐከሚኡን ንቤተሰብን ዝኸውን ገንዘብ ቀልጢፍኩም ልኣኹ ስለ ዝበሉና፡ 67 ሽሕ ብር ልኢኸ። እንተዀነ ስድራይ 30 ሽሕ ጥራይ ምስ ተቐበሉ ብጣዕሚ ሓሪቐ” ትብል። ምኽንያቱ፡ መርበብ እቶም ገንዘብ ዝልእኩ ካብ ኣዲስ ኣበባ  ስለ ዝዝርጋሕ እቲ ገንዘብ ኣብ ኢድ ተቐባሊ ክሳብ ዝበጽሕ ሓያሎ ሰባት በብጽሒቶም ስለ ዝወስዱ ምዃኖም እዮም ዝገልጹ። ቅድም ኢሉ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ኣብዚ ስራሕ ዝተዋፈረ ውልቀ ሰብ፡ \"ኵሉ እንወስዶ ኮሚሽን ናብ ጁባና ኣይኣቱን እዩ። ፈለማ ካብ ባንኪ ገንዘብ ክወጽእ እንከሎ ንብዙሕ ሰብ ኢኻ ተውጽእ፤ ስለዚ ንሶም'ውን ናይ ሻሂ ይደልዩ'ዮም። ብተወሳኺ፡ ናብ ትግራይ ብዙሕ ገንዘብ ሒዝካ ምንቅስቓስ ከቢድን ብዙሕ ማሕለኻታት ስለዘለዎን ነቲ ጕዕዞ ገንዘብ እናሃብካ ኢኻ ተሳልጦ ” ኢሉ ነይሩ። ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ድሕሪ ንኣስታት ሸሞንተ ኣዋርሕ ዝተገብረ ውግእ ሓይልታት ትግራይ ንመቐለን ንመብዛሕትኡ ከባቢታት ትግራይን ክቈጻጸሩ እንከለው፡ ብዙሓት እቲ ናብራ ዝሓሸ ክኸውን እዩ ዝብል ግምት'ኳ እንተነበሮም፡ ዝዀነ ዓይነት ለውጢ እንከይተራእየ ካልእ ምዕራፍ ኲናት ተወሊዑ ከበድቲ ውግኣት ይካየዱ ኣለው። እቲ ኲናት፡ ድሕሪ እቲ ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ዳግም ኣብ ነሓሰ ክውላዕ እንከሎ፡ ነቶም ሰባት ተስፋ ዝገብሩሎም ዝነበሩ ጉዳያት ፈሺሉዎም እዩ። ኣቦ ክልተ ቈልዑ ምዃኑ ዝገልጽ ኣቶ ኣብርሃ ይሕደጐ፡ ኣብ ቤት መዝገብ ሓደ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ይሰርሕ ነይሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን፡ ዝኽፈሎ ደሞዝ ከም ዘይብሉን ካብ ስራሕ ከም ዝበዀረን ይገልጽ። “ኲናት የጨንቐና ኣሎ፤ እቲ ህይወት እሞ እንታይ ኢልካ ከም ዝግለጽ ኣይፈልጥን - ካብ ዝገደደ ናብ ዝኸፍአ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ። ኣነ፡ ካብ ደገ ዝልእኩ ፈተውተይ እናተጸበኹ’የ ደቀይ ክዕንግል ዝፍትን ዘለኹ፤ መጺኡ’ውን ኵሉ ነገር ክቡር ስለ ዝዀነ፡ ምንም ክትገዝእ ኣይትኽእልን” ይብል። ሃገራዊ ባንክ፡ ምኽንያት ምዕጻው እቶም ባንክታት ዝምልከት ግልጺ መብርሂ’ኳ እንተዘይሃበ፡ ኣብ ሞንጐ ህወሓትን ምስቲ ሰልፊ ምትእስሳር ዘለዎም ኣካላትን ዝህሉ ፋይናንሳዊ ምልውዋጥ ጠጠው ንምባል ብዝብል ዝወተስደ ስጕምቲ ምዃኑ ኣብቶም ናይ መጀመርታ እዋናት ገሊጹ ነይሩ። ብተወሳኺ እቶም ፋይናንሳዊ ትካላት ንኸይዝመቱ ንምክልኻል ከም ዝዀነ ይገልጽ። እቲ ውሳነ፡ ኣብ መላእ ትግራይ ዘለው 616 ጨናፍር ባንክታት ከም ዝዕጸው ስለ ዝገበረ፡ ናብቶም ባንክታት ገንዘብ ከተእቱ ይዅን ኣብ ትግራይ ካብ ዝተኸፈቱ ሕሳባት ባንክ ብኤቲኤም ገንዘብ ከተውጽእ ኣይክኣልን። እቲ፡ ብኣስገርቲ ገንዘብ ዝቐጸለ ሰንሰለት ምልኣኽ ገንዘብ ኣዝዩ ሓደገኛን ኣካላት ጸጥታን ምምሕዳር ከተማታትን ቍጽጽር ዝገብርሉን ስለ ዝዀነ፡ ቍጽሮም ዘይነዓቕ ሰባት ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ገንዘቦም ኣብ ኢድ እቶም ክልእኩሎም ዝተቐበሉዎም ውልቀሰባት ጠፊኡ ከም ዝተረፈ ይግለጽ። ኣብ ግንቦት እዚ ዓመት [2022]፡ ምምሕዳር ከተማ ቈቦ፡ በታ ከተማ ኣቢሉ ዝሓልፍ ዝነበረ ሰለስተ ሚልዮን ብር ብሓይልታት ጸጥታ ኣብ ቍጽጽር ከም ዝኣተወ ገሊጹ ነይሩ። በዚ መሰረት እቶም ኣስገርቲ’ውን፡ ኣብ መገዲ ተፍትሽ ክግበር እንከሎ ዝሓዝዎ ገንዘብ ከም ዝውረሶም ይገልጹ። ሰላም፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ብ16 ሚያዚያ 2022 ብሸነኽ ዓፋር ንዘሎ ምንቅስቓስ ተጠቒማ ናብ ትግራይ ዝልኣኸቶ ሽዱሽተ ሽሕ ዩሮ፡ ኣብ ኢድ እቲ ገንዘብ ከብጽሕ ዝተቐበለ ውልቀ ሰብ ጠፊኡ ከም ዝተረፈ ትዛረብ። ገገሊኡ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ወርሒ ዝበጽሓሉ ኣጋጣሚታት እንተሃለወ’ውን፡ ዝልኣኹዎ ገንዘብ ዝጠፍኦም ተጋሩ ውሑዳት ከም ዘይኰኑ ሓቢራ። “ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሰመራ መምህር’ዩ፤ ንሱ፡ ሓደ መሓዛና ዝሰደዶ ሓደ ሽሕ ዩሮ ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ናብ መቐለ ኣብጺሑሉ። እቲ ኮሚሽን ድማ 22 ሚኢታዊት ስለ ዝነበረ ዝነከየ ረኺብና ኢልና ደስ ኢሉና። ብዝሕ ዝበለ ገንዘብ እንተሂብኩምኒ፡ ንዓኹም እቲ ሚኢታዊት ይንክየልኩም፤ ኣነ’ውን ኣይመላለስን ስለ ዝበለና፡ ንብዙሕ ሰብ ሓቲተ ሽዱሽተ ሽሕ ዩሮ ኣኪበ  ሰዲደሉ” ትብል። በዚ መሰረት፡ እቲ ገንዘብ፡ ናታ 3 ሽሕ ዩሮ ከምኡ’ውን ካልኦት መሓዙታ ዘዋጽኡዎ ተደሚሩ ሽዱሽተ ሽሕ ዩሮ ከም ዝሰደደትሉ ትዛረብ። እዚ ገንዘብ፡ በቲ ኣብቲ ሽዑ እዋን ዝነበረ ስሩዕ ሸርፊ ወጻኢ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ፡ ልዕሊ 327 ሽሕ ብር ይግመት። “ባንክታት እንተዝኽፈቱ ኣብ ከምዚ ዝበለ ጸገም ኣይምወደቕናን፤ ግን ክኣ ቤተሰብካ ብህይወት ክጸንሑልካ ስለ እትደሊ ናይ ዓቕሊ ጽበት ዝውሰድ ኣማራጺ ኰይኑና፡ ሕዚ’ውን ንጥቀመሉ ኣለና” ክትብል ሰላም ንቢቢሲ ተዛሪባ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ንኲናት ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኣብ ዘመሓላለፎ ውሳነ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ባንኪ፣ ስልክን ኢንተርነትን ሓዊሱ ኣብቲ ክልል ተቛሪጾም ዘለው መሰረታዊ ኣገልግሎታት ብዘይ ውዓል ሕደር ናብ ንቡር ክምለሱን ተጻብኦታት ብቕልጡፍ ደው ክብሉን ሓቲቱ ነይሩ። መንግስቲ፡ እቶም ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንክምለሱ “ብዘይ ቅድመ ኩነት” ዝርርብ ክግበር ክጠልብ እንከሎ፡ ሓይልታት ትግራይ ክኣ ኣቐዲሙ እቶም ኣገልግሎታት ስራሕ ክጅምሩ ይሓቱ። ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ፡ ከም ሳተላይት ስልኪ ዝበሉ መሳርሒታት ኣብቲ ክልል ንዝንቀሳቐሱ ትካላት ረድኤት ቀንዲ መሳርሒ ኰይኖም እዮም። ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ብሳተላይት ተሌፎን ተጠቂሙ ነበርቲ ደሃይ ምስ ዝርሓቘም መቕርባቶምን ኣባላት ስድራኦምን ንምርኻብ ክሰርሕ ጸኒሑ እዩ። ክሳብ ሕጂ፡ እቲ ማሕበር፡ “ብሰንኪ ጐንጽን ናዕብን ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ስድራቤታት” ኣስታት 116 ሽሕ ጻውዒታት ተሌፎንን ናይ ቃል መልእኽትን ከም ዘሳለጠ ይሕብር። ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ ትግራይ ንከቢድ ጠለብ ሰብኣዊ ረድኤት ዝተቓልዐ ኰይኑ፡ ሰባት ብሕታዊ መራኸቢ መገዲ ገይሮም ዝጥቀምሉ ዘለው ኣማራጺታት ደብዳበን ናይ ቈጸራ መዓልታት ብምምችቻእን ከም ዝዀነ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ርእይቶ ይገልጹ። ናብቲ ክልል ረድኤት ጽዒኑ ዝመላለስ ዝነበረ ንድሕነቱ  ሽሙ ዘይንጠቕሶ መራሒ መኪና፡ ሰራዊት ፌደራል ኣብ ትግራይ ካብ ዝነበርሉ እዋን ኣትሒዙ ክሳብ እቲ ሳልሳይ ዙርያ ኲናት ዝውላዕ ኣብ ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ግዜያት፡ ረድኤት ከም ዘብጽሐ ሓቢሩ። “ኣብ መገዲ ብዙሓት ነገራት ኣለው፤ እቲ ኲናት ዘውረዶ ዕንወት ኣብ ኵሉ ቦታ እዩ ዝርአ። ዝተቓጸላ መካይን፡ ዝዓነው ኣባይቲ ብዙሓት’ዮም። እቲ ኲናት ኣብቲ መገዲ ዝርኣይ’ዩ ዝመስል” ብምባል እቲ ኲናት ዘብጽሖ ዘሎ ክሳራ የረድእ። ኣብቲ ክልል ኣብ ዝተንቀሳቐሰሎም ከባቢታት ዘጋጠመ ሰፊሕ ማሕበራዊ ቅልውላው ከም ዝተዓዘበ ዝገልጽ እቲ መራሒ መኪና፡ ገሊኦም ካብ ኣዲስ ኣበባ ክብገሱ እንከለው ገንዘብ ክበጽሓሎም ናብ ዝድለ ስድራ ቤታት ገንዘብ ሒዞም ይኣትው ከም ዝነበሩ ጠቒሱ። “ኣብ ትግራይ፡ ኵለ መዳያዊ ጸገም ኣሎ፤ ኣብ መገዲ በጃኻ ገንዘብ ወይ መድሃኒት ኣምጽኣለይ ኢሉ ዝሓትት ብዙሕ’ዩ -ብፍላይ ሕሙማት መንሽሮ። ኣብኡ ክገዝኡ’ውን ዓቕሚ የብሎምን፤ ኵሉ ሰብ ገንዘብ እዩ ዝሓትት” ኢሉ። ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ ንኣዋርሕ ከካይዶ ዝጸንሐ ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ከም ዘበለ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ኣፍሊጡ’ዩ። ኣብዚ እዋን፡ ልዕሊ 5.2 ሚሊዮን ሰባት ህጹጽ ሓገዝ ከም ዘድልዮም፡ መረዳእታ ፕሮግራም መግቢ ዓለም የመልክት። “ከምዚ ዓይነት ኲናት ክህሉ’ዩ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን፤ ኣብዚ ዘመን፡ ኣደኻ ብህይወት እናሃለወት ንሓንቲ መዓልቲ’ውን ቃላ ብስልኪ ዘይምስማዕ ከቢድ’ዩ። መዓልታዊ ክኣ፡ ሰባት ሞይቶም፡ ደብዳብ ተፈጺሙ፡ ህጻናት ብጥምየት ይሞቱ ኣለው ስለ እትሰምዕ ይድንጽወካ፡” እትብል ሰላም፡ ኲናት ደው ክብል ተምኒታ ከም ዝዀነ ትገልጽ።","category":"ኲናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cnkj38ppql3o"} {"headline":"ሕብረት ኣፍሪቃኸ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ደው ከብል ይኽእል ዶ?","content":"ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝወከሉ ልኡኻት ንዝርርብ ሰላም ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣቕኒዖም ይላዘቡ ኣለዉ። ዕላማ እዚ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተጸውዐ ዘተ ሰላም፡ እቲ ክልተ ዓመቱ ዘቝጸረን ህይወት ኣሸሓት ዝበልዐን ኲናት ትግራይ መፍትሒ ንምርካብ እዩ። እዚ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ደማዊ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ፡ ብሰላማዊ መገዲ ንኸብቅዕ፡ እዚ ጻዕሪ ናይ መጀመርታ'ኳ እንተዘይኰነ፡ ወከልቲ ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት ኣብ ሓደ መኣዲ ብወግዒ ክራኸቡ ግን ንፈለማ ግዜ እዩ። ቅድም ክብል፡ እቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ንመራኸቢ ብዙሃን ክፉት ኣብ ዘይኰኑ መድረኻት፡ ሓደ-ክልተ ግዜ ተራኺቦም ከምዝነበሩ'ኳ እንተተገልጸ፡ ክልቲኦም ብወግዒ ብዛዕባኡ ዝተዛረብዎ ነገር የለን። እንተዀነ መራሕቲ ትግራይ ኣብ ሓደ-ሓደ መግለጺታቶም ጠቒሶምዎ ነይሮም። እንተዀነ፡ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት፡ ኣብ መንጐ ፌደራላዊ መንግስትን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን 'ሰብኣዊ' ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ምስተበጽሐ፡ ንኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣንጻራዊ ሰላም ዓሲሉ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ግን፡ እቲ ውዕል ምቍራጽ ተጻብኦታት ፈሪሱ፡ ክልቲኦም ሓይልታት መሊሶም ንኣብ ሳልሳይ ዙር ኲናት ጥሒሎም ይርከቡ። ኣብ ቀረባ ሰሙናት፡ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ኣብ ትግራይ ዝተፈላለያ ከተማታት ከምዝተቘጻጸሩን፡ ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም ነቶም 'ወረርቲ' ዝብልዎም ሓይልታት፡ ገቲኦምዎም ከምዘለዉን ይገልጹ። ካብ ክልቲኦም ወገናት ዝወሃቡ መግለጺታት ግን ዘዕግቡ ኣይኰኑን፤ ኣዝዩ ገዚፍ ሰብኣውን ንዋታውን ኪሳራ ይበጽሕ ከምዘሎን ሚልዮናት ንዘስክፍ ሓደጋ ተሳጢሖም ከምዘለውን ጸብጻባት ይሕብሩ። እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ እዩ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዘተ ሰላም ገጽ-ንገጽ ተራኺቦም ዝቐነዩ። እዚ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምእዘን ዘተ ሰላም፡ ብብዙሕ ዘይተመለሱ ሕቶታት ዝተኸበበ ኰይኑ፡ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ኣሜሪካ ብቐረባ ትከታተሎ ከምዝዀነ ይእመን። ልዝብ ሰላም እንታይ ክመስል ኣለዎ? ናይ ምዕዋት ተኽእሎ ኣሎ ዶ? ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ጐንጺ ንምፍታሕ ዘለዎ ዓቕሚ እንታይ ይመስል? እዞም ሕቶታት ብዝምልከት፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተንተንቲ ሓሳቦም ኣካፊሎም ኣለው። ያሬድ ሃይለማርያም ሓላፊ ማሕበር ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ እዩ። እዚ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ ትካል ዝርከቦም፡ ዓለምለኸ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ቅድሚ ምፍጻሙ፡ እቲ ገንጺ ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብ ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም። ያሬድ፡ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ጸቕጢ እንተሃልዩ ወይ ድማ ብሰንኪ ምንኣስ ዓቕምን ካልእ ናብ ድርድር ንምእታው ዝደፍኡ ምኽንያታትን ዝግበር እንተዀይኑ ግን፡ \"እዚ ዘተ ሰላም መሳርሒ እምበር ዕላማ ኣይኰነን\" ይብል። \"እቲ ቀንዲ ነገር ኣብቲ ድርድር ካብ ልቢ ዝምንጩ ድሌት ሰላም ክህሉ ኣሎዎ\" ኢሉ። ተንታኒ ፖለቲካን ምሁር ሕግን፡ መሓሪ ታደለ ማሩ[ዶ\/ር] ዳርጋ ተመሳሳሊ ሓሳብ ኣለዎ። ንሱ፡ ውጽኢት ዘተ ሰላም ብዓቢኡ፡ ኣብ ባይታ ብዘሎ ወተሃደራዊ ክውንነት፡ ኣብ ፖለቲካዊ ድሌት ናይቶም ዝዋግኡ ውድባትን ተወፋይነት ማሕበረሰብ ዓለምን ዝምርኮስ ምዃኑ ይዛረብ። እቲ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ያሬድ፡ ኣብ ዝዀነ ዘተ ሰላም ልዕሊ ዅሉ 'ህላወ ቅንዕና' እዩ ዘቐድም። \"ሰባት ይውድኡ ኣለዉ። እታ ሃገር ትሳቐ ኣላ። ምእንቲ ረብሓ ሃገር እቲ ኲናት ጠጠው ክብል ኣለዎ ካብ ዝብል እንተዀይኑ፡ እቲ ዘተ ቀሊል ኣይከውንን እምበር፡ ነዊሕ ክጓዓዝ ይኽእል እዩ።” ያሬድ ከም ዝብሎ፡ ድርድር ኣብ እንካን-ሃባን ዝምርኮስ ስለዝዀነ፡ ተዛተይቲ ነዚ ክዳለዉ ይግባእ። \"እቲ ልዝብ ግዜ ንምዕዳግ ዝግበር ስትራተጂ እንተዀይኑ ግን፡ እቲ ኲናት ደው ኣይብልን እዩ። ብሃብትን ግዜን ሰባት ምልጋጽ እዩ ዝኸውን” ኢሉ። \"ግርጭት 'ተፈጥሮኣዊ' እዩ። ቅንዕና ምስ ዝህሉ ግን ዕርቂ ኣሎ። ንህዝቢ ዝጠቅም እንታይ ምዃኑ ግልጺ እዩ፤ ሰላም ጥራይ እዩ።\" ያሬድ ከምዝብሎ፡ ዘተ ሰላም ኣብ ካልኦት ክፍላተ ዓለማት’ውን ይካየድ እዩ፣ እንተዀነ፡ ካብ ተላዘብቲ 'ቅንዕና' ስለዝጐድልን፡ 'ሕቡእ ኣጀንዳ' ሒዞም ናብ መኣዲ ዘተ ስለዝመጽኡን ይፈሽል። 'መስፍናዊ ሓቦ'፡ ክልቲኦም ሓይልታት ብሰናይ ድሌት ናብ ሜዳ ልዝብ ከይመጹ ይዓግቶም እዩ ኢሉ'ውን ይምጕት። \"ብዙሕ ግዜ ጸገም ሃገርና ኲናት ክሳብ መወዳእታ ምኻድ እዩ።  ህዝቢ ተወዲኡ፡ ንብረት ሃገር ምስ ሃለቐ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያት ምስ ጠፍኡን ተዋጋእቲ ሓይልታት ምስ ወድኡ እዩ ናብ ሰላም ዝምጻእ። እዚ ምስ ባህሊ'ታ ሃገር ዘራኽብ ነገር ከምዘለዎ ይዛረብ።  እቶም ብፖለቲከኛታት ኣብ ዓውደ ውግእ ዝተሰለፉ መናእሰይ፡ ጥይትን ዓቕምን ክሳብ ዝውድኡን ይጽበዩ ኣለዉ፡ ዝብል እምነት ኣለዎ። ንያሬድ ካልኦት ብዙሓትን፡ ኲናት ምስ ተጀመረ ብውልቈምን ብውዳበታቶምን ኣቢሎም ሰላም ክጽውዑ ከለዉ ነቐፌታ ኣጋጢምዎም እዩ። \"ሕጂ፡ ህዝቢ ምስ ጠፍአ፡ ሰባት ምስተጐድኡን ቁጠባ እታ ሃገር ምስ ዓነወን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ምስተዓመጻን ናብ ዘተ ሰላም ይምጻእ ኣሎ። ታሪኽ ባዕሉ ይደጋገም ኣሎ። እዚ ምስ ‘መስፈናዊ ሓቦ’ ዝተኣሳሰርን፡ ፖለቲካዊ ፍልልያት ብስልጡን መገዲ ናይ ዘይ ምፍታሕን ድሕረትን መርኣያ እዩ። “ስልጡን መገዲ እንታይ ማለት እዩ?” ንዝብል እቲ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብቲ ንሱ ዝነብረሉ ክፋል ኣውሮጳ እንታይ ከም ዘጋጠመ ንቤልጂም ከም ኣብነት ብምቕራብ ከረድእ ይፍትን። \"ንልዕሊ ሓሙሽተ ሽድሽተ ዓመታት ቤልጅም መንግስቲ ክትምስርት ኣይከኣለትን ነይራ። እቶም ውድባት ፖለቲካ እውን ብዓሌት ተኸፋፊሎም ነበሩ። ደሓር ግን ኮፍ ኢሎም ተዘራሪቦም። መንበርን መነጽርን ምድርባይ ኣይነበረን። ንሽግራቶም ድማ ግዜ ሂቦሞ እሂን ምሂን ኢሎም። ምስ ኵሉ መኺሮም። ኣብ መወዳእታ ተመሊሶም ማእከላይ መንግስቲ መስሪቶም። ስልጡንነት ማለት እዚ እዩ።\" ተንታኒ ፖለቲካ ዶ\/ር መሓሪ፡ ዕዉትነት ሽምግልና ብኣውራኡ ኣብ ዘይሻራዊነት ሸምገልትን ስትራተጂታቶምን ከም ዝምርኮስ ይገልጽ። እቲ መስርሕ ልዝብ፡ መሓውርን ኣጀንዳን፡ ኣካታዒ ጉዳያት ብኸመይ ቀዳምነት ከም ዝወሃቦምን ካልኦት ወሰንቲ ጉዳያት ኣለልዩ ዘተ ከም ዝውስንን ይዛረቡ። \"ሕብረት ኣፍሪቃ ከም ቀንዲ ሽማግለ፡ ንጹር ስትራተጂ ሒዙ ኣይቀረበን\" ኢሉ ይነቅፍ እቲ ምሁር። \"እዚ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል'ዩ\" ዝብል ዶ\/ር መሓሪ፡ \"ግልጽነት ዝጐደሎ ሽምግልና ምድንጋር ይፈጥር እዩ። እዚ ድማ ንድርድር ሰላም ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ምትእምማ የስእን\" ይብል። ድሕሪ ምቍራጽ ተጻብኦታት መጋቢት 2014፡ ምስ ክልቲኦም ሓይልታት ናብ መቐለን ኣዲስ ኣበባን ዝተራእየ፡ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሰጉን ኦባሳንጆ፡ ነቲ ሽምግልና ኣየዐወተን ተባሂሉ እዩ ዝንቀፍ። መራሕቲ ትግራይ ብዛዕባ ዘይሻራዊነት ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ተወካሊኡ ኦባሳንጆን፡ ሕቶታት ዘይሻራዊነት ከልዕሉ ይስምዑ እዮም። \"እቲ ትካል፡ ካልኦት ብኽልቲኦም ወገናት ቅቡላት ዝዀኑ መንጐኛታት ክሸይም ነይርዎ\" ይብል ተንታኒ ፖለቲካ ዶ\/ር መሓሪ። \"ምኽንያቱ ዘይሻራዊነት እምነ ኵርናዕ ሽምግልና ስለዝዀነ\" ክብል የስምረሉ። እቲ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ሓይልታት ወጻኢ፡ እቲ ድርድር ዕዉት ክኸውን ወይ ክወድቕ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም ይብል። ብዙሓት፡ ንሕብረት ኣፍሪቃ ዘርእይዎ ዘለዉ ደገፍ ዝነኣድ'ኳ እንተዀነ፡ 'ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም እንተሃልዩ ረብሓና ክንስእን ኢና' ዝብሉ ክህልዉ ከምዝኽእሉ'ውን ይግምት። ያሬድ፡ \"ህላወ ህወሓት ኵሉ ግዜ ንመንግስቲ ኤርትራ ስግኣት'ዩ። ልዝብ ማለት ህወሓት ክቕጽል ይኽእል ማለት እዩ። ስለዚ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ዘተ ዕንቅፋት ክኸውን ይኽእል እዩ” ዝብል ስግኣት ኣለዎ። እንተዀነ፡ ኤርትራ ኣብቲ ልዝባት ክትሳተፍ እትኽእለሉ መስርሕ ከምዘየለ ዶ\/ር መሓሪ ይዛረብ። “እዚ ውሽጣዊ ጉዳይ እዩ። ንኤርትራ ናብቲ ዘተ ምምጻእ፡ ዓለምለኻዊ ጉዳይ እዩ ክኸውን፡ ነቲ ዝርርብ ሰላም ዝበኣሰ ከተሓላልኾ ይኽእል እዩ፤ ከምኡ ንምግባር ዘኽእል መስርሕ ኣህጉራዊ ሕጊ'ውን የለን” ይብል። መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ልዝብ ብሓልዮት ሕብረት ኣፍሪቃ ክምእዘን ድሌት ከምዘለዎ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ። መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም፡ ኣብ ልዕሊ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ቅረታ ከንጸባርቑ ጸኒሖም። መንግስቲ ፌደራል፡ 'ጸገማት ኣፍሪቃ ብኣፍሪቃውያን' ብዝብል መትከል፡ እቲ ልዝብ በቲ ሕብረት ክምራሕን ካብዚ ወጻኢ ዝግበር ዘተ ከምዘይቅበልን እዩ ዝኣምን። ያሬድ፡ እዚ መትከል ‘ኣብ ኣፍሪቃ ንዘጋጥሙ ጸገማት ብኣፍሪቃውያን ምፍታሕ’ ምስ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበናት ኲናት [ICC] ተኣሳሲሩ ዝመጽአ ምዃኑ የዘኻኽር። ኣፍሪቃውያን ጥርጡራት ዓለምለኸ ገበናት፡ ብዙሕ ግዜ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ስለ ዝቐርቡ፡ 'ምዕራባውያን ነዚ ኣህጉራዊ ትካል ተጠቒሞም ንኣፍሪቃውያን ይቐጽዑ ኣለዉ' ካብ ዝብል ሓሳብ ዝመንጨወ እዩ። \"ብሓደ ወገን፡ ምዕራባውያን ነዚ ትካል ስለዝጥቀምሉ፡ እቲ መትከል ቅኑዕ ኣረኣእያ እዩ ኢልካ ክትሓስብ ትኽእል ኢኻ። ብኻልእ ገጽ ድማ ውልቀመለኽቲ ኣፍሪቃ ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ከም ስትራተጂ ዝጥቀሙሉ ሜላ ክበሃል ይከኣል እዩ።\" ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ሓምለ ናብ መቐለን ዑደት ዝገበሩ ማይክ ሃመር ወኪል ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝርከቡ ካልኦት ዓለምለኻውያን ወከልቲ ኣብ ክልል ትግራይ መሰረታዊ ኣገልግሎት ብቕልጡፍ ክጅመር ከምዝሓተቱ ዝዝከር እዩ። ተንታኒ ፖለቲካ መሓሪ ታደለ [ዶር\/]፡ ነዚ ብምኽንያት ከረድእ እንከሎ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኦባሳንጆ \"ካልእስ ይትረፍ ነዚ ጉዳይ [ዝተቛረጹ መሰረታዊ ኣገልግሎታት] ከም ኣጀንዳ'ኳ ከልዕሎ ኣይከኣለን\" ክብል ይነቅፍ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ንሰራዊት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ክስሕብ ዘይምሕታቱ ናይ ተኣማንነት ሕቶ የልዕል እዩ፡ ይብል እቲ ምሁር። ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ብቕልጡፍ ክወጽኡ እዩ ብቐጻሊ ይሓትት ኣሎ። ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ናብቲ ዘተ ምምጽኡ፡ ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት ዓለምለኸ ትካላትን ደገፎም ገሊጾም እዮም። ተስፋ ድማ ዝገበርሉ ይመስሉ። ያሬድ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዓንኬል እቲ ልዝብ ኣሎ'ኳ እንተተባህለ፡ \"ኣብ ምቕራጽን ደገፍ ምሃብን ዝዓበየ ተራ ዝጻወቱ ዘለዉ ምዕራባውያንን ኣሜሪካን እዮም\" ዝብል እምነት ኣለዎ። \"ሓቂ ንምዝራብ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ሰላም ኣብ ምፍጣር ዝፈሸለ ትካል እዩ። ምዕራባውያን፡ ኣብ ኮንጐ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ዳርፉር፡ ሶማልያ፡ ሴራልዮን ኢዶም ኣእትዮም ክሑምዙቑ እንከለዉ፡ ግደ እዚ ሕብረት ድኹም እዩ ነይሩ\" ብምባል፡ ዓቕምን ተኽእሎን እቲ ሕብረት ትሑት ምዃኑ ይዛረብ። ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝዀነ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ኲናት ሕድሕድ ከብቅዕ፡ ክሽምግል ይኽእል ድዩ ዝብል ሕቶ ቀጻሊ እዩ ዝለዓል ዘሎ። \"ነናይ ባዕሎም ጸገማት ናይ ዘለዎም መንግስታት ሕብረት ስለዝዀነ ሰላም ናይ ምምጻእ ወይ ዲሞክራሲ ናይ ምምስራት ታሪኽ ዘለዎ ትካል ኣይኰነን። እዚ ድርድር እንተተዓዊቱ ግን ዓቢ ነገር ክኸውን'ዩ\" ይብል እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ያሬድ። ዝዀነ ኰይኑ፡ ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት፡ ኣብታ ሓንቲ ካብተን ሰለስተ ርእሰ ከተማታት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝዀነት ፕሪቶርያ፡ ዝርርብ የካይዱ ኣለዉ። ዋላ’ኳ እቲ ልዝብ ገና ኣብ ምጅማሩ እንተሃለወ፡ ብዙሓት ግን ብኣጋኡ ተስፋ ሰኒቘም ኣለዉ።","category":"ኲናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyxr7yrwen1o"} {"headline":"መራሕቲ ትግራይ ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም እንታይ ይጠልቡ?","content":"ኣብ ሞንጎ መንግስቲ  ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘተ ሰላም ሎሚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ጀሚሩ። እቲ ትማሊ ሰኑይ ክጅመር ትጽቢት ተጌሩሉ ዝነበረ ዘተ ሰላም፡ ብዝተፈጠሩ ምድንጓያት ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ብመኽፈቲ ስነ-ስርዓት ከምዝጀመረን ፅባሕ 26 ጥቅምቲ ድማ ስሩዕ መደራደሪ ዛዕባታት ከም ዝቐርብን ምንጭታት ቢቢሲ ገሊፆም። ወሃቢቃል መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ  ቪንሰንት ማግዌኛ፡ እቶም ተዋጋእቲ ሓይልታት ዘካይድዎ ልዝብ፡ ብሞንጐኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ኰይኑ፡ ፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ፣ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡህሩ ኬንያታን ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ፑምዚሌ ማላምቦ-ናኩክን ዘተሓባብርዎ ምዃኑ ሓቢሩ። “ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ንከብቅዕ መድረኽ ሰላማዊ ዝርርብ ተአንግድ ኣላ። ነቲ ኣብ ትግራይ ዝቕፅል ዘሎ ኣዕናዊ ጐንፂ፡ ሰላማውን ዘላቕን ፍታሕ ንምምፃእ ዝተሓስበ ሰላማዊ ዝርርብ ድማ፡ ካብ ሎሚ 25 ጥቅምቲ ጀሚሩ ክሳብ 30 ጥቅምቲ ክካየድ እዩ\" ኢሉ። ኣብዚ ዘተ ሰላም  መንግስቲ ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ንሓድሕዶም ብሸውዓተ ተዛተይቲ ከም ዝውከሉ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ንትግራይ ወኪሎም ኣብቲ ዘተ ዝሳተፉ ዘለው፡ ሸውዓተ ተዛተይቲን ሓሙሽተ ኣካላት ፀጥታን ዝሓቘፈ ልኡኽ ጕጅለ ብ 23 ጥቅምቲ እዩ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣትዩ። ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ፡ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው፡ ኮለኔል ተወልደ ገብረትንሳኤ፡ ዶክተር ፍስሃ ሃብተ ፅዮን፡ ኣይተ ካሳ ገብረዮውሃንስን ኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃን ብወገን ትግራይ ኣብቲ ዘተ ዝሳተፉ ዘለው እዮም። ተወካሊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ኣውሮጳ ዶክተር ኣክሊሉ ሃይለሚካኤል ኣብ ጉዳይ እቲ ሎሚ ተጀሚሩ ዘሎ ዘተ ሰላም ኣመልኪቱ ብፍሉይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ካብቶም ንትግራይ ወኪሎም ኣብቲ ዘተ ዝሳተፉ፡ እቶም ሓሙሽተ ካብ ትግራይ ካብ መቐለ ከም ዝመፅኡን፡ እቶም ካልኦት ክልተ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ተወከልቲ መንግስቲ ትግራይ ኰይኖም ዘገልግሉ ከም ዝዀኑ ገሊፁ። እዚ ዘተ ሰላም እዚ ንክዕወት ተስፋ ብምግባር ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዘምርሑ ዝገለፀ ዶክተር ኣክሊሉ፡ ኣብቲ ዘተ ሰላም፡ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብተወሳኺ፡ ካብ ኣሜሪካ፣ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ዓለምለኸ ትካላትን ዝተወከሉ ተዓዘብቲ ከም ዝሳተፉ ሓቢሩ። ንሱ ወሲኹ፡ ኣብ ትግራይ “ብዙሕ ሰብ ይቕተል፡ ይመዛበልን ፆታዊ መጥቃዕቲ ይፍፀምን ብምህላዉ” መንግስቲ ትግራይ ብቐዳምነት ተዅሲ ደው ክብል ከም ዝጠልብ ገሊፁ። እቲ  ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ንምእታው ብዝብል ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ተነቢሩ ዝፀንሐ ምቁራፅ ተፃብኦ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ምፍራሱ ስዒቡ ከም ብሓድሽ ብዝቐፀለ ኵናት፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ካብ መረበቱ ኣመዛቢሉ ኣሎ ዝበለ ዶክተር ኣክሊሉ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይገደብ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ትግራይ ክባፃሕ ከምዝጠልቡ ሓቢሩ። ዶክተር ኣክሊሉ ወሲኹ፡ እዚ ሰላም እዚ ክመፅእ ዘይደሊ ናይ ደገ ሓይሊ ክብል ዝገለጾ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወፅእ ኣለዎ ዝብል ጠለብ ከምዘለዎምን ዓለምለኻዊ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኻዊ መራኸቢ ብዙሓንን ናብታ ክልል ክኣትውን ነቲ ኩነታት ክዕዘብዎ ከምዝደልዩ ገሊፁ። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ብተመሳሳሊ ሸውዓተ ተደራደርቲ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣተዉ ኰይኖም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮንን ዝርከቦ ሸውዓተ ኣባላት ብዝሓዘ ጉጅለ ከም ዝውከል ኣፍሊጡ ነይሩ። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢን ደመቀ መኮንን፣ ዶክተር ጌድዮን ጢሞቲዎስ፣ ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ፣ ኣምባሳደር ሓሰን ዓብዱልቃድር፣ ሌተናል ጀነራል ብርሃኑ በቀለን ዶክተር ጌታቸው ጀምበርን ቅድም ክብል ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ  ተደራደርቲ ኮይኖም ዝተመዘዙ እዮም። ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ፡ ኣባል ማእከላይ ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ እዩ። እዚ ኮማንደር ሓይልታት ትግራይ ኮይኑ ዘሎ ጀነራል ጻድቃን፡ ዓለምለኻዊ ተንታኒ ድሕነትን ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ኣፍሪቃውያን ሓንጸጽቲ ወተሃደራዊ ስትራቴጅን እዩ። ንሱ ኣብ1998 ዶባዊ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ክውላዕ ከሎ፡ ጀነራል ፃድቃን ቀላሲ ስርሒታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ነይሩ። ህወሓት ብምኽንያት እቲ ኲናትን ካልኦት ፖለቲካዊ ፍልልያትን ኣብ ክልተ ምስ ተገምዐ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር መለስ ዜናዊ፡ ነቲ ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝነበረ ሙኩር ጀነራል ፃድቃን ካብ ስርሑ ኣሰናቢትዎ። እዚ ጀነራል ደማዊ ኵናት ትግራይ ቅድሚ ምውልዑ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ዝነበረ ምውጣጥ ክፈትሕ ፃዕሪ የካይድ ምንባሩ ይግለፅ። ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡  ካብ ሞንጎ እቶም ህወሓት ብመሪህነት ዝሓዘቶም መናእሰይ ዝበሃሉ ኣመራርሓ እዩ። ኣይተ ጌታቸው፡ ኣብ ግዘ ስርዓት ኢህወደግ ኣባል ፈፃሚት ስራሕ ህወሓት-ኢህወዴግን ከምኡ’ውን ሚኒስተር ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነይሩ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምምፅኡን ህወሓት ካብቲ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዘዳለዎ ውሁድ ውድብ ብልፅግና ንዓርሱ ምግላሉ ስዒቡ፡ ካብ መንግስቲ ፌደራል ተነፂሉ ምስ ኣመራርሓ ህወሓት ናብ ትግራይ ኣምሪሑ። ብድሕሪኡ ወሃቢ ቃል ህወሓትን  ሓላፊ እቲ ድሕሪ ኵናት ትግራይ ምውልዑ ዝተመስረተ ቤት-ፅሕፈት ዝምድናታት ወፃኢ ትግራይን ኰይኑ የገልግል ኣሎ። ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው፡ ኣብ ግዘ ኢህወደግ፡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ  ኮይኑ ኣገለጊሉ። ኣብ ግዘ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ድማ፡ ኣብ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክፍሊ ባህልን ዕብየት ቱሪዝምን ሚኒስተር ኮይኑ ኣገልጊሉ። ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ካብ መንጎ ላዕለዎት ሰብመዚ ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይ እዩ። ሕዚ ካብ ሞንጎ እቶም ንትግራይ ወኪሎም ዝዛተዩ ዘለዉ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሓደ እዩ። ዶክተር ፍስሃ ሃብተፅዮን፡ ካብ ላዕለዎት ኣመራርሓ ትግራይ ሓደ ኰይኑ ቅድሚ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተወልዐ ኵናት ኮነ ድሕሪኡ ዳይሬክተር ፖሊስን መፅናዕትን ትግራይ ነይሩ። ኣብዚ እዋን  ድማ ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ትግራይ ኮይኑ የገልግል ኣሎ። ዶክተር ፍስሃ ሕዚ ካብ ሞንጎ እቶም ንትግራይ ወኪሉ ምስ መንግስቲ ፌደራል ክደራደር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ  ዝተረኸቡ መራሕቲ ትግራይ እዩ። ገዲም ተጋዳላይ ኣሰፋ፡ ሓው እቲ ስሙይ ፖለቲከኛ ኣይተ ስየ ኣብርሃ እዩ። ሓደ እዋን  ዋና ኣካየዲ ስራሕ ትካል ልምዓት መንግስቲ ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ። ኣብ ግዘ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር መለስ ዜናዊ፡ ኣይተ ስየ ምስ ኩሎም ኣሕዋቱ እንትእሰር፡ ኣይተ ኣሰፋ እውን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተኣሲሩ። ካብ 1993  ኣቆፃፅራ ግእዝ ጀሚሩ ከኣ ንሸውዓተ ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ጸኒሑ። ንሱ ኣብዚ እዋን እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ደማዊ ኵናት ብሰለማዊ መገዲ ዕልባት ክረክብ፡ ኣብ ሃገራት ወፃኢ ኣብ ዲፕሎማሲ ይነጥፍ። ኮለኔል ተወልደ ገብረትንሳኤን ኣይተ ካሳ ገብረዮውሃንስ እውን፡ ካብ ሞንጎ እቶም ንትግራይ ወኪሎም ኣብቲ ዘተ ሰላም ክሳተፉ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተረኸቡ እዮም። ትግራይ ካብቶም ሸውዓተ ተደራደርቲ ብተወሳኺ፡ ሓሙሽተ ኣካላት ፀጥታ እውን ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዝለኣኸት ተገሊጹ እዩ።","category":"ኲናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd12g0gd23no"} {"headline":"15 ኣዋርሕ ደሞዝ ዘይተኸፍሎም ሰብ ሞያ ሕክምና ትግራይ","content":"መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ናብ ኲናት ቅድሚ ምእታዎም፡ ገዛኦም መሊኡ፡ ደቈም ናብ ቤት ትምህርቲ ዝልእኩ ንቤተሰቦምን ፈተውቶምን ዝዀኑ ሰባት’ዮም ነይሮም። ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሓካይም፡ መምሃራን ዩኒቨርሲቲን ካልኦት ኣብ ትሕቲ ትካላት መንግስቲ ፌደራል ዝነበራ ኣብያተ ዕዮ ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ግን፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝነበሮም ህይወት ነቲ ሕጂ ዘሎ ዝመስል ኣይኰነን። ንልዕሊ ሓደ ዓመት ወርሓዊ ደሞዝ ከም ዘይተኸፍሎምን ንዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ጸገማት ተቓሊዖም ምህላዎምን ይግለጽ። ሕጂ፡ እቲ ኲናት ሓድሕድ ተጋዲዱ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ተቛሪጹ፡ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት እዅል ኣብ ዘይኰነሉ፡ ኵሉ ሰብ ኢድ ሰብ ዝጽበ ከም ዝተገደደ ይንገር። እተን ንኻልኦት ዝበጽሓ ዝነበራ ኣእዳው ንምጽዋት ዝዝርግሓ ኰይነን ኣለዋ፤ ንዝኣቱን ዝወጽእን እንጀራ ዝቝረሶ ዝነበረ መሶብ ጾሙ ይሓድር ኣሎ። ዕድል ዝገበረ ክኣ፡ 15 ኪሎ ሕሩጭ ስርናይ ረድኤት ተቐቢሉ ደቁ ይዕንግል። እቲ ዋላ ሓደ ክገብር ዘይክኣለ ድማ፡ ‘ዝሓሸ መዓልቲ ንኽመጽእ’፡ ኲናት ከብቅዕን ሰላምን ርግኣትን ክዓስል ይጽሊ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣሜሪካን እቲ ዝዓርግ ዘሎ ከቢድ ኲናት ነቲ ድሮ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ኣሰቃቒ ዝዀነ ኵነታት ከጋድዶ ከም ዝኽእል የጠንቅቝ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ካብ ሰነ 2021 ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ጋዜጠኛታት ናብቲ ክልል ክኣትው ኣየፍቐደን፤ ብተወሳኺ ኣብቲ ክልል ማሕበራዊ መራኸቢታት ተቛሪጾም ብምህላዎም፡ ስፍሓት ናይቲ ግጭትን ዘስዓቦ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዝምልከት ምስሊ ክትህብ ኣጸጋሚ እዩ። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰብ ሞያ ሕክምና፡ ኣብ ገዛኹም ህይወት እንታይ ይመስል ክብል ሓቲቱዎም። ነሓሰ 2022፡ ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ክኢላ መጥባሕቲ ዝዀነ ዶክተር፡ ንነዊሕ ኣዋርሕ ወርሓዊ ደሞዙ ከም ዘይተቐበለ ብምግላጽ፡ “ዕድል ገይሩ” እቲ ንኣዋርሕ ክጽበዮ ዝጸንሐ ብትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ዝወሃብ ስርናይ ከም ዝተቐበለ ኣብ ትዊተር ኣስፊሩ ነይሩ። ዶክተር ፋሲካ ዓምደስላሴ፡ “ምስቶም ህይወት ንምድሓን ዝኸውን መግቢ ዘይረኸቡ ሚልዮን ህጻናት ብምንጽጻር፡ ደቀይ ዕድለኛታት እዮም” ብምባል ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ዝሃቦ ሕሩጭ ስርናይ እናተቐበለ ዘርኢ ምስልን ጽሑፍን ጠቂዑ። “ረድኤት ምስ ረኸብኩ፡ ብጣዕሚ እየ ተሓጒሰ፤ ካብዚ ንታሕቲ ምጥፋእ፡ ምሕማምን ምሟትን’ዩ ዝመጽእ። ብዙሓት ደሓን ህይወት ዝነበሮም፡ መምሃራን . . . ናብ ጐደናታት ወጺኦም ኢና ንርኢ ዘለና፤ ዝስከሙ፡ ሳሙና ዘርጊሖም ዝሸጡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣለው። ሕጂ ውልቃዊ ክብሪ ዘይኰነ ብህይወት ምጽናሕ’ዩ እቲ ዓቢይ ነገር” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ክፍሊ ህጹጽ ሕክምና ዝሰርሕ ካልእ ዶክተር፡ ካብ 30 ሰነ 2013 ዓ.ም [ግእዝ] ጀሚሩ፡ ክሳብ ሕጂ ወርሓዊ ደሞዝ ከም ዘይተቐበለ ብምግላጽ፡ “ብምሉኦም መሳርሕተይ ኣብ ጸገም’ዮም ዘለው” ክብል ይገልጽ። እቲ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብቲ ሆስፒታል ዘገልገለ ዶክተር፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ቈልዓን’ዩ። “ናብራይ እናመራሕኩ፡ ንወለደይ’ውን ይሕግዝ ነይረ። ሕጂ ግን፡ ኣነ ተመሊሰ ከም ትሕቲ ወዲ 18 ዓመት ቈልዓ ብወለደይ ይሕገዝ ኣለኹ። ምስኦም፡ ካብታ ኣብ ገጠር ዝረኸብዋ እናተኻፈልና ንነብር ኣለና” ኢሉ። መብዛሕትኦም ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል ማዕረ እቲ ካልእ ክፋል ሕብረተሰብ ተጸበይቲ ረድኤት ኰይኖም’ዮም እትብል ነርስ ፍረ ብወገና፡ “ካብ ሓረስቶት ኣዝማድን ኣሓትን እናተቐበልኩ’የ ህይወተይ ዝመርሕ ዘለኹ” ትብል። ቅድሚ እቲ ኲናት’ውን እንተዀነ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ክልል ዝጸንሐ ማሕበራዊ ጸገማትን ውሑድ ዕድላት ስራሕን ብርክት ዝበላ ስድራቤታት ኣብ ዓርሰ ምትሕግጋዝ ተመርኲሰን እየን ክናበራ ጸኒሐን። “ሓላፍነት ቤተሰብን ኣዝማድን ወሲዱ ከም ዝነብር ዜጋ፡ ደሞዝ ከይተኸፈለካ ቈልዑ ምዕባይ ከቢድ እዩ። በሊዕካ ብህይወት ምጽናሕ ከቢድ ኰይኑ እናሃለወ፡ ብስነ ምግባር ሕክምና ንህይወት ካልእ ክትግደስ ስለ ዘለካ፡ እቲ ሰራሕተኛ ስራሕ ክቋረጽ የብሉን ብምባል ጾሙ እናሓደረ ናብ ስራሕ መጺኡ እናወደቐ’ውን’ዩ ዝሰርሕ ዘሎ” ትብል። መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር፡ ኣብ ትሕቲ ብሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝቘመ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኰይኑ፡ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ድማ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ፌደራላዊ መንግስቲ ዝመሓደራ እየን። በዚ መሰረት፡ ኣብዚ ጉዳይ መብርሂ ክህቡና ብተደጋጋሚ ብተሌፎንን ናይ ጽሑፍ መልእኽትን ዝተወከስናዮም ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ቤት ዕዮ ከምኡ’ውን ሚኒስተር ዲኤታ ሚኒስትሪ ጥዕና ምላሽ ኣይሃቡን። ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል፡ መወዳእታ ግንቦት 2013 ዓ.ም [ግእዝ] ደሞዝ ምስ ተኸፍሎም፡ ኣብ ሰነ እቲ ዓመት ሓይልታት ትግራይ ንከተማ መቐለ ድሕሪ ምቍጽጻሮም ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ደሞዝ ከም ዘይመጽኣሎም ይገልጹ። ኣብቲ ክልል፡ ኣገልግሎት ባንክን መጓዓዝያን ካብቶም ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝተቛረጹ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኰይኖም፡ ኣብ ዕዳጋ ዝቐርቡ መሰረታዊ ሸቐጣት ብኮንትሮባንድ ካብ ጐረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝመጽኡ ከም ዝዀኑ ምንጪታት ቢቢሲ የረድኡ። በዚ ምኽንያት፡ ዋጋ ሃለኽቲ መግብታት ብሰንኪ ሕጽረት ነዳድን ክብሪ መጓዓዝያን ስለዘይልከፍ፡ ዋሕዲ ገንዘብ እውን ስለዘሎ ናብራን ሃለዋትን እቲ ህዝቢ ከቢድ እዩ ዘሎ። “ንባዕልኻን ደቅኻን ክትከውን ዘይምኽኣል ናይ ምንባር ዕላማኡ ክጠፍኣካ’ዩ ዝገብር። ማኮሮኒ፡ ሩዝ፡ ዘይቲ ዋግኦም ክቡር እዩ” ክብል ሓደ ስሙ ክዕቀብ ዝሓተተ ዶክተር ገሊጹ። መብዛሕትኡ ሰራሕተኛ መንግስቲ፡ ኣብ ክራይ ገዛ ዝነብር ብምዃኑ ድማ፡ ገንዘብ ዘይምህላው ንተኻራይን ኣካራዪ ገዛን ኣብ ዓቢይ መዋጥር ዘእቱ ኵነታት ፈጢሩ’ዩ ብምባል ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ መምህርን በዓል ሞያ ጥዕናን ዝዀነ ውልቀ ሰብ ሓቢሩ። “ኣነ፡ ካብ ገጽ ሰብ ክውል ንኽብል ሙቐት ዋላ ኣይሃልዎ፡ ኣብ ዘይተወድአ ገዛ 70 ካሬ እየ ዝነበር። መብዛሕትኡ ንታክሲ ዘይብሉ ገዛ ክራይ ክኸፍል ኣይክእልን። መብራህትን ማይን ፈጺሙ ኣይሕሰብን። እንሰትዮ ማይ ካብ ጉድጓድ እዩ ዝመጽእ፤ ነዚ መሐከሚ መድሃኒት ኣይርከብን፤ ከይነፍልሖ እውን ዕንጸይቲ እንገዝኣሉ ገንዘብ የለን። ጸሓይ ከይዓረበት እታ ዘላትና በሊዕና ድሕሪ ሰዓት 12 [ናይ ምሸት] ኣብ ዝረኸብናዮ ተገምሲስና ንሓድር” ይብል። እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዕጽዋ ብሰንኪ ምንውሑ፡ ሓካይም ኰነ ተሓከምቲ ሓገዝ ኣልቦ ኰይኖም’ዮም ዝብሉ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ፡ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛት ባይታ ዘቢጡ፡ ቀረብ ኣገደስቲ መድሃኒታት ተመናሚኑ ሕሙማት መንሽሮ፡ ኩሊትን ሽኮርን ኣብ ኢዶም ይሞቱዎም ከም ዘለው ይጠቕሱ። ህጻናት፡ ቀንዲ ተጠቃዕቲ ብሕጽረት መግቢ ዝመጽኡ ሕማማት ኰይኖም’ዮም ዝብሉ እዞም ሓካይም፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ኣስታት 2500 ህጻናት ከም ዝሞቱ ቢቢሲ ዝረኸቦ መረዳእታ የመልክት። ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት፡ እቲ ኲናት ኣሰካፊ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዘስዓበ፡ ኣሽሓት ሰባት ከም ዝተቐትሉን ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ከም ዘመዛበለን ይገልጹ። “እቲ ዘሎ ኵነታት ኣሰካፊ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ፡ ንሕና ብዘይ ደሞዝ ምስራሕና ጥራይ ዘይኰነ እቲ ጸገም ዝያዳ ኣብ ተሓከምቲ ክትሪኦ እንከለኻ ዝኸበደ ይገብሮ። ጠሚኻ መጺእካ፡ ዝጠመዩ ክትሕክምን፡ ከምዚ ዓይነት መግቢ ብልዑ ክትብልን ይኸብደካ። እቲ እንሰርሐሉ ዘለና ሆስፒታል እንተዀነ’ውን ዳርጋ ናብ ምዕጻው ዝኸደ እዩ” ክብል ሓደ ስሙ ክዕቀብ ዝመረጸ ዶክተር ተዛሪቡ። ወሲኹ፡ “መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ስራሕ ኢና ነሕልፎ፤ ኣብታ ዘላትና ግዜ ክኣ ረድኤት ሎሚ’ዶ ጽባሕ ክወሃበና ይኸውን እናበልና እናሓተትና ንውዕል። ወለደይ ሕርሻ ኣለዎም፤ ሕጂ ንሶም’ዮም ዝሕግዙኒ ዘለው፤ ተሌፎን ስለ ዘይሰርሕ ግን ረኺበዮም ስለ ዘይፈልጥ፡ ብሰብ እዮም ዝልእኩለይ” ኢሉ። ነርስ ፍረ፡ እቲ ዘላቶ ህይወት “ብልግሲ ፈጣሪ ኢና ንነብር ዘለና” ብምባል ትገልጾ። ንሳ፡ ኣደ ትሕቲ ሸውዓተ ዓመት ዝዀኑ ቈልዑ ኰይና፡ ደቃ ቅድሚ ሕጂ ዝለመዱዎ መግቢ ከተቕርበሎም ክሓቱዋ እንከለው ከም ዝጨንቃ ትዛረብ። “በሊዖም ዘይሓድሩሉ ግዜ ስለ ዘሎ፡ ነዚ መልሲ ክትስእን እንከለኻ ዝስምዓካ ቃንዛ ከቢድ እዩ፤ ብጭንቀት ክኣ ዓርስኻ ከይትጐድእ ትፈርሕ።” ኣብ መጀመርታ ሰነ 2022፡ ሜዲካል ዳይረክተር እቲ ሆስፒታል ዶክተር ክብሮም ገብረስላሰ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ኣብቲ ክልል ዘሎ ዝዓበየ ሆስፒታል ዓይደር ብሰንኪ ምቍራጽ መብራህቲን ስእነት መድሃኒትን ስሩዕ ስርሑ ደው ከም ዘበለ ገሊጹ ነይሩ። ይዅን’ምበር፡ ብሰንኪ እቶም ተደራረብቲ ጸገማት እቲ ዝህብዎ ኣገልግሎት ክንዲ ዝድለ ዕግበት ዋላ ኣይሃልዎ፡ ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል፡ ካብ ዘለዎም ውልቃዊ ጸገማት ብዝብገስ ስራሕ ደው ንምባል ‘ሓሲቦም ኣይፈልጡን’ ክትብል ነርስ ፍረ ትገልጽ። “መንግስቲ ግዴታኡ ይፍጽም ከም ዘየሎ ይፈልጥ’የ፤ ግን ኣነ ብዘይምምጽአይ ዝጠፍእ ህይወት ኣሎ’ዩ ኢለ ስለ ዝሓስብ እየ ናብ ስራሕ ዝመጽእ\" ትብል እታ ነርስ። \"ጽባሕ ንግሆ መን’ዩ ክነብራ እዛ ዓዲ? ሰአን መድሃኒት፡ መግብን ኦክስጅንን ብዙሕ ተሓካሚ ሞይቱ’ዩ። ግን ነቲ ብህይወት ክተርፍ ዝኽእል ሰብ ብምትራፈይ ውጽኢታዊት እየ ኢለ እሓስብ” ዝብል እምነት ከም ዘለዋ'ውን ትዛረብ። ዝሓለፈ ጥቅምቲ፡ ምስ ቢቢሲ ቃለ መጠይቕ ዝገበረ ዶክተር ፋሲካ ዓምደስላሴ፡ ናይ ሞያ ብጾቱን ዘሕልፍዎ ዘለዉ ህይወት ክብደት ናይቲ ጸገም ዝገልጽ ኣይኰነን ኢሉ ነይሩ። “ብጋህዲ ዝነብሮ ዘለኹ ህይወት ስለዝዀነ ስምዒታተይ ተጸንቂቝ’ዩ” ዝበለ እቲ ዶክተር፡ “ስምዒታትና ክንሕሉ ጻዕሪ ንገብር ኣለና፤ እቲ ጸገም ክሳብ ዘይተቐረፈ ክንደይ ዝኣክል ጾር ከም ዝተሸከምና ክንፈልጦ ኣይንኽእልን” ኢሉ’ዩ። ዶክተር ፋሲካ ንርእሱ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝቕመጡ መሓዙቱን ኣዝማዱን ብዝልኣኸሉ ተቘራሪጹ ብዝበጽሕ ገንዘብ ከም ዝናበር እዩ ዝገልጽ። ግን ከኣ፡ ኵሉ ሰብ ካብ ወጻኢ ገንዘብ ዝልእከሉ ሰብ ኣለዎ ማለት ስለ ዘይኰነ፡ ኣዝዮም ዝተጸገሙ ሰራሕተኛታት ከም ዘለው ይዛረብ። ብሰብኣዊ ረድኤት ዝመጽአ ስርናይ ተቐቢሎም ንመጥሓኒ እኽሊ ዝኸውን ገንዘብ ዝጽገሙ ብዙሓት’ዮም። “ቁርሲ ከይበልዑ መጺኦም ኣብ ስራሕ ዝወደቝ ነርሳት ኣለው፤ ናይ ብሓቂ ዘሕዝን ኵነታት እዩ ዘለናዮ። ሓንቲ ነርስ፡ ሰብ ዘምጽኦ መግቢ’ውን ጠዓሚ ተባሂላ፡ ደቀይ ቁርሲ ከይሃብኩዎም እየ መጺአ ኢላ በኽያ፤ ብጸገም ናብ ልመና ዝወጽኡን ናብ ቤተሰቦም ዝኸዱን’ውን ኣለው። እቲ ዘለናሉ ህይወት ‘ሓሊምናዮ ዘይንፈልጥ ሕሰም’ዩ’ ዝብል መምህርን በዓል ሞያ ጥዕናን እቲ ሆስፒታል ዝዀነ ካልእ ዶክተር ብወገኑ፡ ብምኽንያት ምቍራጽ መጓዓዝያን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ደሃይ ኣብ ገጠራት ዘለው ስድራቤቱ ክፈልጥ ከም ዘይክኣለን ብእግሩ ስለ ዝጓዓዝ ናብ ስራሕ ደኺሙ ከም ዝኣቱን ገሊጹ። “እቲ ህይወት ዘለናዮ ብቓላት ዝግለጽ ኣይኰነን፤ ስራሕ ግን ኣየቋረጽናን። ካልእ እንተተረፈ እቶም ተሓከምቲ መድሃኒት እንተስኣኑ እውን ‘ኣጆኻ’ ንምባል ክንርሕቘም ስለ ዘይብልና ኢና ንኸይድ። ነቲ ዝጠመየ'ኳ እንተዘየብላዕኩዎ፡ ነቲ ዝሓመመ ግን እታ ዘላ መድሃኒት ሂበ ብህይወት ከም ዝጸንሕ ክገብር እኽእል እየ።” እቶም ዶክተራትን ነርሳትን እቲ ሆስፒታል ብፌደራል መንግስቲ ዝተቘጸሩ ስለ ዝዀኑ፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ደሞዝና ኰነ ተባሂሉ’ዩ ተታሒዙ ዝብል ቅሬታ ኣለዎም። “ብዙሓት ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት፡ ገንዘብ እናምጽኡ ንሰራሕተኛታቶም ይኸፍሉ እዮም፤ እቲ ዝቘጸረና ኣካል ግን ስቕ ኢሉ። ባንክ ዕጽው’ዩ፤ ዝዓቘርኩዎ ገንዘብ ኣብ ግዜ ጸገም ከይጥቀመሉ’ውን ተኸሊአ እየ ዘለኹ። ይግባይ ዘይብሉ ፍርዲ” ክብል ሓደ ካብኣቶም ቅሬታኡ ገሊጹ። “እቲ ኣመና ዘተሓሳስብኒ ጉዳይ፡ እቲ ኵነታት መዓስ ከም ዝውዳእ እዩ። እቲ ዝልእኽ እውን ክስልችዎ’ዩ፤ ደቅና ሒዝና ከይንወጽእ እቲ መገዲ ስደት ብእግሪ ስለ ዝኽየድ፡ ወተሃደራት ከይቐትሉኻ ትሰግእ። ብዅሉ ተዓጽዩ ቤት ማእሰርቲ ኰይኑ ጠሚኹም ጥፍኡ ዝዓይነቱ እዩ ዘሎ” ብምባል ሓደ ዶክተር ስግኣቱ ገሊጹ።","category":"ኲናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c6pg5m5nrl1o"} {"headline":"‘ብሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ሽረ ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ደብዳብ’ ኣሰካፊ ምዃኑ ተገሊጹ","content":"ኣብ ትግራይ፡ ብሸነኽ ዶብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣሰካፊ ብዝዀነ ኵነታት ጸንኪሩ ይቕጽል ምህላው ይንገር ኣብ ዘለወሉ፡ ብፍላይ ኣብዚ ቕንያት’ዚ፡ ሓይልታት ኢትዮጲያን ኤርትራን ኣብ ከተማ ሽረ ዘካይድዎ ዘለው ጽዑቕ ደብዳባት ኣሻቓሊ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ኣህጉራውያን ትካላት ይገልጹ ኣለው። እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣህጉራዊ ኮሚቴ ድሕነት The International Rescue Committee (IRC) ዝተባህለ ትካል ሰብኣዊ ረዲአት፡ ሓደ ኣባሉ ኣብ ሽረ ብዝተኻየደ ደብዳብ ከም ዝተቐትለ ጠቒሱ፡ ብ 15 ጥቅምቲ ወግዓዊ መግለጺ ሓዘን ኣውጺኡ'ሎ። እቲ መግለጺ፡ ዝሞተ ኣባል ሰራሕተኛ ክፍሊ ጥዕናን መግቢን ናይቲ ትካል ምንባሩን፡ ንህጻናትን ኣደታትን ሰብኣዊ ረዲአት ኣብ ዝህበሉ ዝነበረ ህሞት ተወጊኡ ድሕሪ ምጽናሕ ከም ዝሞተ የረጋግጽ። በቲ ዝካየድ ዘሎ ደብዳባት ሰለማውያን ሰባት ይሞቱ ከምዘለዉ ዝሓበረ ሓደ ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሰራሕተኛ ሰብኣዊ ረዲአት ነባሪ ሽረ እንዳስላሰ፡ ብ ዓርቢ ኣብ ዝተፈጸመ ደብዳብ ኣየር ጥራይ ንሱ ዝፈልጦም ክልተ ሰባት ከምዝተቐተሉን ካልኦት ሽዱሽተ ሰባት ከምዝቘሰሉን ንቢቢሲ ገሊጹ። ኣብ መወዳእታ ነሓሰ ዳግማይ ዝተወልዐ ኲናት፡ ልዕሊ 50 መዓልታት ዘቝጸረ ኰይኑ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ግንባር ኣድያቦ ተጋዲዱ ይቕጽል ምህላው ምንጭታት ቢቢሲ ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም። እቲ ኲናት ካብ ሽረ እንዳስላሰ ንኣንፈት ሰሜን ኣስታት 35 ኪሎ ሜትር ርሒቝ ኣብ ዝርከብ ከባቢታት ዓዲ ዳዕሮን ዓዲ ነብሪኢድን ይካየድ ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፡ ኣብ ከተማ ሽረን ከባቢኣን ድማ ብተኸታታሊ ደብዳባት ድሮንን ኣየርን ከምኡ’ውን ከቢድቲ ብረት ይካየድ ከምዘሎ ኣረጋጊጾም። ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ምጽንካር እቲ ኲናት ኣመና ከም ዘተሓሳሰቦ ብምግላጽ፡ ተጻብኦታት ደው ክብል ደጊሙ ጸዊዑ’ሎ። ሓላፊት ዩኤስኤይድ ሳማንታ ፓወር ሎሚ ንግሆ ኣብ ትዊተር ገጻ “ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ሽረ ዘካይድዎ ዘለዉ መጥቃዕትን፣ ሰራዊት ኤርትራ ሰለማውያን ሰባት ዝቕመጡሎም ከባቢታት ክቈጻጸሩ ይኽእሉ’ዮም ዝብሉ ጸብጻባት ኣመና ዘሻቕል’ዩ” ክትብል ጽሒፋ’ላ። ንሳ ብተወሳኺ፡ ድሕነት ሰላማውያን ሰባት ምእንቲ ክሕሎ እቲ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ደው ክብል ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኤርትራን ነቶም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ተመዛበልቲ ዝነብሩሎም መዓስከራት እንተ ተቘጻጺሮም ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ተወሳኺ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክፍጸም ከምዝኽእል ገሊጻ። ላዕለዋይ ሓላፊ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል ብወገኑ፡ ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ሰላማውያን ሰባት ዕላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ዘመላኽቱ ጸብጻባት ምውጽኦም ኣሰንባዲ ከምዝዀነ ድሕሪ ምግላጽ ምኽባር ዓለም ለኻዊ ሕግታት ምርጫ ዘይኰነስ ግዴታ ከምዝዀነ ኣመልኪቱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ጉዳይ ዝሃቦ ሓበሬታ’ኳ እንተዘየለ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝሃቦም መግለጽታት ግን ኣብ ወተሃደራዊ ነቝጣታት ዕላማ ዝገበረ ደብዳባት ይፍጸም ከምዘሎ ምግላጹ ይዝከር። ወተሃደራት ኤርትራ ዶባት ሰጊሮም ኣብ ትግራይ ይዋግኡ ከምዘለዉ ብሓይልታት ትግራይ ይኽሰሱ። መንግስቲ ኣሜሪካ’ውን ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ሰጊሩ ኣብ ትግራይ ይዋጋእ ከምዘሎን ነቲ ቅልውላው ካብ ምግዳድ ክቝጠብን ጸዊዑ ምንባሩ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ መንግስቲ ኤርትራ ግን ብዛዕባ’ዚ ወግዓዊ ምላሽ ኣይሃበን። እንተዀነ፡ ብ 15 ጥቅምቲ ብመገዲ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣሜሪካ ዝወጽአ መግለጺ፡ እቲ ብ 6 ጥቅምቲ “ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ ኣዕናዊ ተራ ትጻወት ኣላ” ዝብል ባገልግሎት ወጻኢ ሕብረት ኣውሮጳ ዝወጽአ መግለጺ፡ ከምኡ’ውን ብ12 ጥቅምቲ ኣሜሪካ፡ ኣውስትራልያ፡ ጀርመን፡ ዴንማርክ፡ ነዘርላንድ፡ ብሪጣንያን ካናዳን ዘውጽኣኦ ሓባራዊ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ዘለዎ መግለጺ “ዘሕዝን” ክብል ገሊጽዎ'ሎ። እቲ፡ “ብኻባ ሰብኣዊ መሰላት፡ ነቲ ግዳይ ወቒስካ ንገበነኛ ምድሓን” ብዝብል ዝወጽአ መግለጺ ኤምባሲ፡ “ንኤርትራ ገንሸል ንምግባር ዝተኣልመ ተንኰል’ዩ፡” ይብል። ብፍላይ በቲ ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ዝካየድ ዘሎ ደብዳባት፡ ኣብቲ ከባቢ ዝካየድ ዘሎ ሓያል ኲናት ግን ሳዕቤናቱ ኣሰካፊ ምዃኑ ሓለፍቲ ዓለምለኻዊ ትካላት ይገልጹ ኣለዉ። ብተወሳኺ፡ እቲ ብ ኣህጉራዊ ኮሚቴ ድሕነት ዝወጽአ መግለጺ፡ ካልእ ኣባል ናይቲ ትካል ረዲአት ቈሲሉ ከም ዘሎን፡ ካልኦት ክልተ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉን፡ ሰለስተ ድማ ከም ዝተጐድኡን ኣመልኪቱ፡ ሲቪላውያንን ሰራሕተኛታት ረዲኤትን ብዝዀነ ይኵን ምኽንያት ዒላማ ክዀኑ ከም ዘይግባእ ኣተሓሳሲቡ። ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሰራሕተኛ ትካል ረዲአት፡ እቲ ኣብ ሽረ ዘሎ ኵነታት ኣሻቓሊ ከምዝዀነን ገለ ነበርቲ ድማ በቲ ብዘይ ምቍራጽ ዝካየድ ዘሎ ደብዳባት ተሰናቢዶም ካብታ ከተማ ይወጽኡ ከምዘለዉ ሓቢሩ። ሽረ እንዳስላሰ ኣስታት 100 ሽሕ ነበርቲ ዝቕመጡላ ዋና ከተማ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኰይና ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተመዛበሉ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ተዓቝቦምላ ከምዝርከቡ’ዩ ዝግለጽ።","category":"ኲናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw577pkxnvvo"} {"headline":"ትግራይ፡ ዝጽንክር ዘሎ ኲናት ቅዝፈት ሰላማውያን ሰባት ከየስዕብ ተሰጊኡ","content":"ሓይልታት ትግራይ ብሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ ከተማታት እንተተደፊኦም፡ ህልቂት ሰላማውያን ከጋጥም ከምዝኽእል ዲፕሎማሰኛታት የጠንቅቝ ኣለዉ። እቲ ኲናት ተጋዲዱ ይቕጽል ኣብ ዘለወሉ፡ ቀረብ መግብን መድሃኒትን ይውዳእ ከምዘሎ ነበርቲ ይገልጹ። ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ\/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብወገኑ፡ ከተማታት ዒላማ ብዘይፈለየ ይድብደባ ከምዘለዋ ሓቢሩ። ዶ\/ር ቴድሮስ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ መልእኽቲ፡ ሰላማውያን ሰባት ይቕተሉ ከምዘለዉን ዝቘሰሉ እውን ብሰንኪ ዕጽዋ መድሃኒት ሰለዘየለ ክድሕኑ ከምዘይክእሉን ገሊጹ። ትግራይ ንኣስታት 1 ዓመትን ፈረቓን ኣብ ምሉእ ዕጽዋ ዘላ ኰይና፡ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ምቁራጽ ተጻብኦ ኣብ ነሓሰ ድሕሪ ምፍራሱ፡ ከቢድ ኲናት ይካየድ ኣሎ። እቲ ጐንጺ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ናይ ሽምግልና ሓላፍነት ወሲዱ ዘሎ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ እቶም ተዋጋእቲ ሓይልታት ኲናት ደው ከብሉን ናብ ሰላማዊ ዘተ ክምለሱን ጸዊዑ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ኣብታ ቀጻሊን ጽዑቕን ደብዳብት ዝፍጸመላ ዘሎ ከተማ ሽረ፡ ሓደ ንህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ህጹጽ ሓገዝ ምግቢ ዘከፋፍል ዝነበረ ሰራሕተኛ ኣይ ኣር ሲ፡ ብደብዳብ ከምዝተቐተለ ይዝከር። ሓላፊ ፖሊሲ ወጻኢ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል፡ በቲ ኣብ ሽረ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ኣዝዩ ከምዝተሻቐለ ገሊጹ እዩ። ሓላፊት ዩ ኤስ ኤ ኣይ ዲ ሳማንታ ፓወር ብተመሳሳሊ፡ ብሰንኪ ጐንጺ ሚልዮናት ተፈናቐልቲ ዝተዓቘቡለን ማእከላት እውን ግዳይ መጥቃዕቲ ይዀና ከምዘለዋ ገሊጻ። እታ ሓላፊት፡ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን በቲ ኣብዚ እዋን ዘካይድዎ ዘለዉ ወፍሪ ነተን ማእከላት እንተተቘጻጺሮምወን “ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ተወሳኺ በደልን ቅትለትን ንኸጋጥም ከቢድ ሓደጋ ኣሎ” ኢላ። ንቢቢሲ ቃሉ ዝሃበ ሓደ ነባራይ ከተማ መቐለ፡ ኣብታ ከተማ ዳርጋ ቀረብ ምግቢ ከምዘየለ ገሊጹ። ብሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን በደል ክበጽሐና እዩ ዘበላ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ከይተረፋ፡ ናብቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ይጽንበራ ከምዘለዋ እቲ ነባራይ ገሊጹ፤ እዚ ኸኣ ተጋሩ መስመር ምክልኻሎም ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት ከይስበር ዘለዎም ስግኣት ከምዘመላኽት እዩ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦስሎ ኒው፡ ፐሮፌሰር መጽናዕቲ ግርጭታት ዝዀነ ፕሮፌሰር ሸቲል ትሮንቮል፡ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ምክልኻል መስመራት ሓይልታት ትግራይ ንምስባር ቅዲ ቀዳማይ ኲናት ዓለም፡ “በዝሒ ማዕበላዊ ሓይሊ ሰብ” ይጥቀሙ ከምዘለዉ ይገልጽ። እቲ ተንታኒ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣብዚ እዋን እቲ ዝዓበየ ኲናት፡ እቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ዘይኮነስ፡ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ትግራይ ዘካይድዎ ዘለዉ ወፍሪ ከምዝዀነ ሓቢሩ። ኣብቲ ኲናት ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰራዊት ይሳተፉ ከምዘለዉ ዝግምት ትሮንቮል፡ “እቲ ህልቂት ዘስካሕክሕ እዩ፤ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣስታት 100 ሽሕ ዝዀኑ ሃሊቘም እዮም” ክብል ጽሒፉ።","category":"ኲናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1gg1lr40eo"} {"headline":"ኢትዮጵያ ተጨውዮም ዝነበሩ ወተሃደራት ጅቡቲ ነፃ ኣውጺኣ","content":"ኢትዮጵያ ብዕጡቓት ተታሒዞም ዝነበሩ ሽዱሽተ ወተሃደራት ጅቡቲ ነፃ ኣውጺኣ ናብ ሃገሮም ከም ዘፋነወት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ 'ታ ሃገር ገሊጹ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ረቡዕ 12 ታሕሳስ 2015 [ግእዝ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ወተሃደራት ‘ፍሩድ’ (ግንባር ምምላስ ሓድነትን ዲሞክራስን) ብዝበሃሉ ዕጡቓት ጅቡቲ ከምዝተጨውዩ ሓቢሩ። እቶም ወተሃደራት፡ ብዝተዋደደ ናይ ስለያን ፖሊስን ስርሒት ካብ ዕጡቓት ሓራ ክወጽኡ ከም ዝተገብረ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዋና ዳይረክተር ጉዳያት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ፍስሃ ሻውል ኣረዲኡ። መራሕቲ ማሕበረሰብን ምምሕዳር ክልል ዓፋርን ኣብቲ መስርሕ ምውፃእ ወተሃደራት ዓቢይ ግደ ከምዝነበሮም'ኳ እንተተገለጸ፡ እቶም ወተሃደራት ኣበይ ከምዝተታሕዙ ግን ኣይተነፀረን። እቶም ካብ ዝዓገትዎም ዕጡቓት ነፃ ወጺኦም ዝተበሃሉ ወተሃደራት ንመንግስቲ ጅቡቲ ከምዝተረከቡ ኣምባሳደር ፍስሃ ሓቢሩ’ሎ። ዕጡቕ ጕጅለ ‘ፍሩድ’ ብ26 መስከረም 2015 ኣብ ጅቡቲ ዞባ ታድጆራ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ጋራብቲሳ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ነቶም ወተሃደራት ከምዝጨወዮም ይግለፅ። ሚኒስትሪ ምክልኻል ጅቡቲ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ጋራብቲሳን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 7 ወተሃደራት ከምዝተቐትሉን \"ሽበራዊ ጕጅለ\" ፍሩድ ሓላፍነት ከምዝወስድን ከምዘፍለጠ ይዝከር። ብዘይካ'ቶም ዝሞቱ ካልኦት ኣርባዕተ ወተሃደራት ክቘስሉ ከለዉ ሽዱሽተ ድማ ደሃዮም ተሳኢኑ’ሎ። ጕጅለ ዕጡቓት ፍሩድ ብወገኑ፡ ነቲ ብሰራዊት ጅቡቲ ዝተፈጸሞ መጥቃዕቲ ምላሽ ንምሃብ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ይሕብር። ፍሩድ፡ ዕጡቓቱ ነቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ብምቍጽጻር ኣጽዋርን ተተኮስትን ከምዝወሰዱ'ኳ እንተገለጸ፡ ሰበስልጣን ጅቡቲ ግን ነዚ ቅቡል ኣይገበሩን። ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ድማ ፓርላማ ጅቡቲ ነቲ ጕጅለ ከም ግብረሽበራዊ ጕጅለ መዲብዎ’ሎ። ዓለምለኻውያ ትካላትን ትካል ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ (ኢጋድ)ን ካልኦት መሻርኽቲ እታ ሃገርን፡ እቲ ጕጅለ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከር ጅቡቲ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ኰኒኖም ኣለዉ። ጕጅለ ፍሩድ መን’ዩ? ኣብ 1991 ዝተመስረተ ፍሩድ፡ ህዝቢ ዓፋር ብመንግስቲ ጅቡቲ ተገሊሉ ኣሎ ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ ከምዝተበገሰ ይዝረብ። ድሕሪ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ድማ ኣብ 2001 ምስ መንግስቲ ስምምዕ ሰላም ፈሪሙ። እንተዀነ ወተሃደራዊ ክንፊ እቲ ዕጡቕ ነቲ ስምምዕ ብምንጻግን ዕጥቃዊ ቃልሲ ክንቅጽል ኢና ብምባልን ክንቀሳቐስ ጀሚሩ። ንነዊሕ እዋን ዝዀነ ርኡይ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ከይወሰደ ምጽንሑ ድማ ይገልጽ።","category":"ኢትዮጵያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ce518ndmd64o"} {"headline":"ቻይና ልዕሊ 1600 ፍርያት ኢትዮጵያ ብዘይ ቀረጽ ክኣትዉ ፈቒዳ","content":"ሚኒስትሪ ንግድን ዞባዊ ምትሕብባርን ኢትዮጵያ፡ ካብ ቀረጽን ኮታን ነጻ ፍርያተን ናብ ቻይና ከእትዋ ካብ ዝተፈቕደለን ሃገራት ሓንቲ ምዃና ኣፍሊጡ። መንግስቲ ቻይና ምስ መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ ንግዳዊ ርክብ ንምጥንኻር ዝሓንጸጾ መደብ፡ ብዝሒ ዘለዎም ፍርያት ብዘይ ቀረጽ ናብ ወጻኢ ክኣትዉ ኣፍቂዱ። ኢትዮጵያ ነዚ ዕድል ንምጥቃም ዘድሊ ሓበሬታ ስለዘይሃበት ኣብቲ መደብ ኣይኣተወትን ተባሂሉ ነይሩ። ይዅን እምበር ዋና ዳይረክተር ርክብ ህዝብን ኮሚኒኬሽንን ሚኒስትሪ ንግድን ዞባዊ ምትሕብባርን ቁምነገር እውነቱ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ፍርያት ኢትዮጵያ ብዘይቀረጽ ናብ ቻይና ክኣቱ ከምዝተፈቕደ ገሊጻ። በዚ መሰረት ቻይና ልዕሊ 1600 ፍርያት ኢትዮጵያ ብዘይ ቀረጽ ናብታ ሃገር ክኣትዉ ፈቒዳ ኣላ። ብሓፈሻ ካብ 6,422 ፍርያት፡ 1,644 ፍርያት ካብ ቀረጽን ኮታ ነጻን ክኣትዉ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ ኣሎ። ብመሰረት ሚኒስትሪ ንግድን ዞባዊ ምትሕብባርን፡ እዚ ዕድል ዕዳጋ ብቻይና ጥራይ ዝወሃብ ኰይኑ፡ ኢትዮጵያ ነዚ ዕድል ክትጥቀመሉ ዝዀነ ግዴታ የብላን። ቅድም ክብል ቻይና ን10 ሃገራት ካብ ቀረጽ ነጻ ዝዀነ ፍርያት ናብ ሃገረን ከእትዋ ዕድል ምስ ሃበተን፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝርዝር ኣትያ ብዘይምንባራ ሕቶ ኣልዒሉ ምንባሩ እታ ዋና ዳይረክተር ጠቒሳ። \"ኢትዮጵያ ብዙሕ ሃብትን ምህርትን እናሃለዋ ከመይ ኢላ ክትግለል ትኽእል? እዚ ሕቶታት እዚ ብተደጋጋሚ ይለዓል ነይሩ። ንሕና እውን ንጽበ ነይርና። ሕጂ 1644 ፍርያት ካብ ቀረጽ ነጻ ክኣትዉ ተፈቒዱሎም ኣሎ\" ክትብል ገሊጻ። ይዅን'ምበር፡ ኢትዮጵያ ነዚ ኵሉ ፍርያት ብሓፈሻ ናብ ቻይና ክትሰድድ እያ ማለት ዘይኰነስ \"ካብኣቶም ገለ ፍርያት\" ክትሰድድ ምዃና ሓቢራ። ንኣብነት ሕጽረት ሓጺነ መጺን ኣብ ዝህልወሉ እዋን፡ ከመይ ጌርካ ናብ ወጻኢ ክትሰድድ ትኽእል? ዝብሉ ሕቶታት ይለዓሉ ምህላዎም እታ ዋና ዳይረክተር ጠቒሳ። ኢትዮጵያ ናብ ዝተፈላለዩ ዕዳጋታት ዓለም ከተቕርቦ ዝጸንሐት ጥሪት፡ ዘይቲን ፍርያት ሕርሻን ዝተኣሳሰሩ ኰይኖም፡ ካልኦት ብቻይና ፍቓድ ዝተወሃቦም ካብ ኢትዮጵያ ናብ ቻይና ዝለኣኹ ፍርያት እውን ከምዘለዉ እታ በዓልቲ ስልጣን ገሊጻ። ብዙሓት ዓይነታት ፍርያት ናብ ወጻኢ ክትሰድድ እትኽእል'ኳ እንተዀነት፡ ቀዳምነት ክትህቦ ምዃና እውን ተገሊጹ ኣሎ። ይዅን እምበር ኢትዮጵያ ኣብ ከይዲ ዝፍቀድ ሰፊሕ ፍርያት ናብ ዕዳጋ ከተቕርብ እንተኽኢላ ባጤራ ወጻኢ ንምምጻእ ዝሓሸ ዕድል ከምዘለዋ እታ ዋና ዳይሬክተር ኣመልኪታ። \"በዚ መገዲ፡ ብብዝሒ ፍርያት ናብ ወጻኢ ኣብ እንልእከሉ፡ ካብ ቻይና ኣቝሑት ናይ ምእታው ተኽእሎና ይዓቢ\" ክትብል ኣብ ቍጠባ እታ ሃገር ዘስዕቦ ኣወንታዊ ጽልዋ ኣረዲኣ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ኣጎዋ ብዝብል ስም ተመሳሳሊ ዕድል ስለዝሃበት፡ ካብ ግብሪን ቀረጽን ነጻ ፍርያት ይሰዳ እየን። እንተዀነ ኢትዮጵያ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጥሪ ጀሚራ ካብዚ ናይ ናጻ ንግዳዊ ዕድል ተኣጊዳ ምህላዋ ዝዝከር እዩ።","category":"ኢትዮጵያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c19vyjr28mko"} {"headline":"20 ቢልዮን ፈልሲ ክትተክል ዝወጠነት ኢትዮጵያ ተዓዊታ’ዶ?","content":"ኣብ 2019 ክሳብ መወዳእታ እዚ ዓመት 20 ቢልዮን ፈልሲ ንምትካል ዓቢ ወፍሪ ጀሚራ ዓለማዊ ዛዕባ ኰይና ዝነበረት ኢትዮጵያ፡ ዝያዳ ሸቶኣ ከምዝተዓወተትን እቲ ወፍሪ ገና ከምዝቕጽልን ትገልጽ። እቲ ኣሃዝ ዘድነቕ ይመስል፤ መንግስቲ ኣብ 2019 ኣብ ሓደ መዓልቲ ልዕሊ 350 ሚልዮን ኣግራብ ከም ዝተኸለ ይገልጽ። ኣብዛ ምስ ድርቂ፡ ግጭትን ዝውስኽ ዘሎ ብዝሒ ህዝብን እትቃለስ ሃገር ግን፡ እቲ ጃምላዊ ምትካል ፈልሲ ክሳብ ክንደይ ኣድማዕን ዕዉትን ከምዝነበረ ንጹር ኣይኰነን። ደገፍቲ ናይቲ ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝድገፍ ተበግሶ ሓምላይ ሕድሪ (GLI)፡ ሓምላይነት ናብ ንቡር ከም ዝመለሰ፡ ለውጢ ክሊማ ከም ዝዓገተን መነባብሮ ዜጋታታ ከም ዘመሓየሸን ይዛረቡ። ብርግጽ ብዛዕባ ምብራስ ኣግራብ ግንዛበ ኣዕብዩን ጃምላዊ ጽምዶ ኣኻኺቡን እዩ፤ 20 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን’ውን ከምዝተሳተፉ ይግለጽ። ብመንግስቲ ዝድገፍ ቴክኒካዊ ኮሚቴ ተበግሶ ሓምላይ ሕድሪ፡ ኣብ 2019 መጠን ምጽዳቕ ፈለስታት ብገምጋም 83.4 ሚእታዊ ኣብ 2020 ድማ 79 ሚእታዊ ከምዝዀነ ይገልጽ። ይዅን እምበር፡ እቶም ኣሃዛት ዘተኣማምኑ ዘይክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣብ ለንደን፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ትካል ኣከባብን ልምዓትን (IIED) ዝሰርሕ ጀምስ ማየርስ ይሕብር። ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ተበግሶ ሓምላይ ሕድሪ ድሕሪ ምትካል ፈልስታት ገና ወግዓዊ መስርሕ ከምዘየተኣታተወ ገሊጹ። \"ውሑዳት ዓመታት ጥራይ እዩ ሓሊፉ ዘሎ፡ ኣግራብ ንኽዓብዩ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ እዩ። እቲ ምድሓን ኣብ ነዊሕ እንተዀይኑ እዩ እቲ ዘገድስ\" ይብል። ኣብ መላእ ዓለም ተመሳሳሊ ተበግሶታት ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሎም ኣይተዓወቱን። ኣብዚ ሰሙን ብጕጅለ ሳይንቲስት ኣብ መጽሔት ሮያል ሶሳይቲ ዝተሓትመ መጽናዕቲ፡ ፍርቂ ካብ ኵሎም ኣብ ፕሮጀክትታት ዳግመ-ምግራብ ኤስያ ዝተተኽሉ ፈልሲታት ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ከምዘይጸንሑ የመልክት። ንቴክኒካዊ ኮሚቴ ተበግሶ ሓምላይ ሕድሪ ዘወሃህድ ኣደፍርስ ወርቁ ግን፡ ኣብቲ ብማሕበረሰባት ከባቢታት ዝተኣከበ ኣሃዛት እምነት ኣሎዎ። \"እዚ ብናጻ ኣህጉራውያን ኣካላት ክረጋገጽ ተስፋ ንገብር ኣለና\" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ። ኢትዮጵያ ብብዝሒ ህዝቢ ኣብ ኣፍሪቃ ካልኣይቲ እያ፡ ብደረጃ ሃገር ወፍሪ ምትካል ፈልሲ ምትግባር ቀሊል ዕማም ኣይነበረን። ከም ኣቮካዶን ፓፓዮን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ፈልሲታት ፍረታት ኣግራብን ተተኺሎም እዮም። \"ትኽክለኛ ዘርኢታት፡ ኣብ ትኽክለኛ ቦታ፡ ንዝግባእ ዕላማ ምትካል ኣገዳሲ'ዩ\" ይብል ክኢላ ስነ-ኣግራብ ላርስግራውዳል። ንሱ፡ ኣብ ኬንያ ዝመደበሩ ማእከል ሕርሻ ኣግራብ ዓለም ዝሰርሕ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ማእከል ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከብን ንተበግሶ ሓምላይ ሕድሪ ፈልሲ ዘቕርብን መሸጢ ትካል ተኽሊ ስልጠና ዝህብ እዩ። ብርግጽ ተበግሶ ሓምላይ ሕድሪ፡ ኣብ መጀመርታ ዓመት ስርሑ ብድኹም ውጥን ተነቒፉ እዩ። ገለ ሓረስቶት ንኽሳተፉ ናይ ሓደ መዓልቲ ምልክታ ጥራይ ከምዝተዋህቦምን ከምኡ’ውን ፈልሲታት’ውን ኣብ ኣኻውሕን ዘይምቹእ ኵነታትን ከምዝተተኽሉ ዓለምለኻዊ ትካል ኣከባብን ልምዓትን ኣብ ኢትዮጵያ ዝመደበሩ ኤክኖሰርቭ ኮንሰልቲንን ብሓባር ዘውጽእዎ ጸብጻብ የመልክት። ንኣብነት ፈልሲታት ባናና፡ \"ነቲ ከባቢ ክጐድእ ኣብ ዝኽእል ከባቢታት ይትከሉ ከምዘለዉ ይንገር\" ይብል እቲ ጸብጻብ። ቀላሚጦስ ብቕልጡፍ ስለዝዓብን ዝያዳ ዕንጸይቲ ስለዘፍርን ብገለ ሓረስቶት ዝተመርጸ ፈልሲ ነይሩ። ይዅን እምበር ቀላሚጦስ ብዙሕ ማይ ስለዘድልዮን፡ ኣብ ሓመድ ዝርከቡ ኣገደስቲ መኣዛታት ስለዘማስንን ካልኦት ምህርቲታት ንምብቋል ይጽገሙ እዮም። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ትካላት ሕርሻ ኣግራብ፡ መበቈላዊ ፈልሲታት እንተ ተተኸሉ ይመርጹ። ብመሰረቱ ወይ መበቈላዊ ወይ ድማ ዘይወረርቲን ንብዙሕነት ህይወት ናይቲ ከባቢ ዘርብሑን ክዀኑ ይግባእ። ከም ቀላሚጦስ ዝኣመሰሉ ዘይልሙዳት ኣግራብ ረብሓ ክህልዎም ይኽእል እዩ፤ እንተዀነ ብጥንቃቐ ክትከሉን ክምሕደሩን የድሊ። ተበግሶ ሓምላይ ሕድሪ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ከም ኣርቃይ ዝኣመሰሉ ዝያዳ መበቈላዊ ኣዝርእቲ ንምትእትታው ጻዕሪ ኣካይዱ እዩ። ልክዕ ምዕባለኡ ንምዕቃን ግን ኣጸጋሚ እዩ፤ ምኽንያቱ ወግዓዊ ኣሃዛት ናይቶም ዝተተኽሉ ዘይተለምዱ ዘይመበቈላዊ ፈልሲታት ክሳብ ሕጂ የለን። እዚ ግን ቴክኒካዊ ኮሚተ ተበግሶ ሓምላይ ሕድሪ ከም ኣካል ናይቲ ዝቕጽል ትንታናኡ ይሰርሓሉ ከምዘሎ ይገልጽ። ሚስተር ግራውዳል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ኣሉታዊ ነገራት ምትኳር ጌጋ ከምዝዀነ ኣስሚሩሉ እዩ። \"ብልክዕ ንምስራሕ ግዜ ይወስድ። እዚ ግን ሰባት ካብ ተግባር ክኽልክል የብሉን። ኢትዮጵያ ዝያዳ መበቈላዊ ኣዝርእቲ ንምትካል መሰረት ሃብታ ኣብ ምህናጽ እያ ትርከብ።\" ኣብ ትሪ ኤይድ ዝተበሃለ ትካል ግብረ ሰናይ ዝሰርሕ ቶም ስኪሮው፡ ከም ዕንጸይቲ ወይ መግቢ ዝኣመሰሉ ነቲ ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ጭቡጥ ዋጋ ዝህቡ ኣግራብ ምትካል ኣገዳሲ ምዃኑ ይገልጽ። እዚ ድማ ንሓረስቶት ድርኺት ዝህብን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ምሕደራ ዘተባብዕን እዩ። ካልእ ንተበግሶ ሓምላይ ሕድሪ ሕልኽላኽ ዝፈጠረ፡ ጉዳይ 'ቲ ኣብ ውሽጢ ልዕሊ 40 ዓመታት እቲ ዝኸፍአ ድርቂ እዩ። ገለ ከባቢታት ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝናብ ኣይረኸቡን፡ እዚ ድማ ንህላወ ፈልሲታት ዝጸሉ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣለይቲ ኣግራብ፡ ድርቂ ዝጻወሩ ፈልሲታት ንምትካል ብጥንቃቐ ክሓስቡ ተገዲዶም እዮም። ሚስተር ስኪሮው፡ \"ንሎሚ ጥራይ ዘይኮነ - ጽባሕ ንዝህሉ ኵነታት ክሊማ'ውን ዝምጥን ኣግራብ ከነብቁል ኣለና\" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ። ዘይምጥኑ ዓይነት ፈልሲታት ምትካል ነቲ ድሮ ሕጽረት ዘጋጠሞ ቀረብ ማይ ጐዳኢ ክኸውን ይኽእል፤ እቶም ቅኑዓት ግን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ መኽሰብ ክህቡ ይኽእሉ። ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣብ ዴንማርክ ዝመደበሩ ፎረስትስ ኦፍ ዘ ዎርልድ ጀንስ ካንስትሩፕ፡ ዳግማይ ሽፋን ኣግራብ ምምስራት ጠሊ ንምዕቃብ ከምዝሕግዝ ይገልጽ። \"ኣብ መወዳእታ ደረቕ ወቕቲ፡ ኣብ ከባቢታት ሕርሻ ኣግራብ ዝርከቡ ማሕበረሰባት፡ እቲ ሓመድ ጠሊ ዘለዎን ምዕቡልን ኰይኑ ክረኽብዎ እዮም። እቶም ኣብ ሕርሻ ኣግራብ ዘይብሉ ከባቢታት ዝነብሩ ግን ምሉእ ብምሉእ ዝነቐጸ [ሓመድ] ክህልዎም እዩ\" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። እቶም ልክዕ ዝዀኑ ኣግራብ እንተ ተተኺሎም፡ ኣብ ነዊሕ እዋን ዝናብ እውን ክውስኹ ከምዝኽእሉ ሚስተር ግራውዳል፡ ሓምላይ ምምላስ ንቐረብ ማይ ዘለዎ ረብሓ ዘርኢ ኣብ ኣውስትራልያ ዝተገብረ መጽናዕቲ ተወኪሱ ይገልጽ። ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ፡ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት፡ ንምትካል ፈልሲ ጸልይዎ እዩ። ኣብ ቀረባ እዋን ስምምዕ ሰላም ተፈሪሙ'ኳ እንተዀነ፡ ተበግሶ ሓምላይ ሕድሪ ግን ካብ 2021 ጀሚሩ ብዛዕባ እታ ንክልተ ዓመት ኣብ ዕጽዋ ዝነበረት ትግራይ ዝምልከት መረዳእታ የብሉን። ኣብ ትግራይ ተበግሶ ሓምላይ ሕድሪ ንምጅማር ተመዲቡ ዝነበረ ኣቶ ኣደፍርስ ግን፡ ሕጂ’ውን ገና ተስፋ ኣለዎ። \"ትግራይ ቅድሚ ተበግሶ ሓምላይ ሕድሪ እውን እንተዀነ ብዙሓት ዕዉታት ስርሓትቲ ምሕዋይ መልክዓ ምድሪ ዝካየደላ እያ ነይራ\" ይብል። \"እቲ ውዕል [ሰላም] እንተተፈጺሙ፡ ናብ ትግራይ ተመሊሰ ማእከላት ፈልሲ ዝምርምር ቀዳማይ ሰብ ክኸውን እየ።\" ተበግሶ ሓምላይ ሕድሪ ኣካል ናይቲ ዓቢ ውጥን ዘለዎ ዓቢ ሓምላይ ሓጹር ፓን-ኣፍሪቃ ፕሮጀክት’ውን እዩ። እዚ ተበግሶ ኣብ 2007 ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተጀመረ ኰይኑ፡ ኣብ 2030 ካብ ሰኔጋል ክሳብ ጅቡቲ ንኣስታት 8,000 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ መከላኸሊ ኣግራብ ብምህናጽ ዝርግሐ ምድረበዳ ሰሃራ ደው ንምባል ዝዓለመ እዩ። ዓቢ ሓምላይ ሓጹር ፓን-ኣፍሪቃ፡ ካብ ናይ ወጻኢ ለገስቲ ጃምላዊ ምወላ እኳ እንተረኸበ፡ ቅልጡፍ ዓወት ከመዝግብ ተጸጊሙ ይርከብ። ክሳብ 2017 ዝበለጹ ግምታት፡ ካብቲ ዝሓሰቦ ሸቶ 15 ሚእታዊ ጥራይ ከምዝፈጸመ ይሕብሩ፣ እቶም ዝኸፍኡ ግምታት ድማ ኣብ 4 ሚእታዊ የቐምጥዎ። ዕላማ ፕሮጀክት ሓምላይ ሓጹር፡ ሕጂ ዓቢ ሓጹር ካብ ምትካል \"ኣብ መላእ እታ ኣህጉር ሕውስዋስ ፕሮጀክትታት ምሕዋይ\" ናብ ምፍጣር ከምዝተቐየረ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት። ነዚ ንምትግባር ድማ ሕጂ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ 58 ወረዳታት ሓሙሽተ ቢልዮን ፈልሲ ከተፍሪ ቃል ኣትያ ኣላ። ምስ ሓምላይ ሓጹርን ምስ ተበግሶ ሓምላይ ሕድሪን ዝሰርሕ ትሪኤይድ፡ ክልቲኦም ፕሮጀክትታት፡ ንነዊሕ እዋን ዓወት ልዑል ደረጃ ዘለዎ ፖለቲካዊ ደገፍ ጐድኒ ጐድኒ ትሑት ደረጃ ዘለዎ ምትእስሳር ማሕበረሰብ ክሰርሑ ከምዘለዎም ከምዘርእዩ ይገልጽ። \"ኣግራብ ብጅምላ ምትካል ብዙሕ ዕንቅፋት ኣለዎ። ግን ከም ተበግሶ ሓምለዋይ ሕድሪ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ንምድጋፍ ክንሓብር ኣለና\" ይብል ሚስተር ስኪሮው። \"ዝተመሃርናዮ ክንካፈል፡ ካብ ውድቀትና ክንመሃርን ብሓባር ክንመሓየሽን ኣለና።\"","category":"ኢትዮጵያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c037p683n3yo"} {"headline":"ኣብ ቁጽጽር ዕጡቓት ዝርከቡ ከባቢታት ኢትዮጵያ፡ ብሕማም ንፍዮ ተጠቒዖም","content":"ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ነበርቲ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ብሰንኪ ሕጽረት ኣገልግሎት ሕክምና፡ ህጻናት ብሕማም ንፍዮ ይሞቱ ኣለው ኢሎም። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ውልቀሰባት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ክልል ዝካየድ ዘሎ ግጭት ምንቅስቓስ ካብን ናብን ምትእጕጓሉ እቲ ጸገም ከም ዘጋጠመ ሓቢሮም። መንግስቲ ፌደራል፡ ቀንዲ ዕርዲ ዕጡቓት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ዝዀኑ ከባቢታት ምዕራብ ኦሮምያ ስጕምቲ ክወስድ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ። ሓላፊ ጥዕና እቲ ክልል ኣቶ ደረጀ ኣብደና፡ ኣብቲ ክልል፡ ኣብቶም ብደርቂ ዝተጠቕዑ ከባቢታት ሓዊሱ ለበዳ ሕማም ንፍዮን ዓሶን ከም ዝተኸሰተ ኣረጋጊጹ። ነቶም ዝተጐድኡ ሰባት ንምብጻሕ ጻዕሪ ይግበር ከምዘሎ’ውን ተዛሪቡ። \"ቅድሚ ሒደት መዓልታት ጥራይ ብሕማም ንፍዮ ዝሞቱ ክልተ ህጻናት ቀቢርና። ሓካይም ካብቲ ከባቢ ወጺኦም’ዮም” ክብል ነባሪ ወረዳ ኮንዳላ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ንቢቢሲ ገሊጹ። ንፍዮ ኣዝዩ ተላባዒ ኰይኑ ከቢድ ሕማም ከስዕብ ይኽእል። ሓሓሊፉ ቀታሊ ክኸውን ይኽእል እዩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ኦሮምያ ዘሎ ሰብኣዊ ኵነታት፡ \"ዝተሓላለኸ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ\" ብምባል፡ ብሰንኪ ግጭት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ተመዛቢሎም ምህላዎም ጠቒሱ። ‘’ነቲ ዝተጐድአ ህዝቢ ንምሕጋዝ፡ ተበጻሕነት፡ ጸጥታን ገንዘብን በዳህቲ ኰይኖም ይቕጽሉ ኣለው” ክብል ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (OCHA) ገሊጹ።","category":"ኢትዮጵያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cgrvdm8ljv6o"} {"headline":"ናብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ዝግዓዙ ኤርትራውያን ስደተኛታት እንታይ ይብሉ?","content":"ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልል ትግራይን መወዳስንቲ ክልላትን ክካየድ ዝጸነሐ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኣብቲ ማእከል ኲናት ዝኾነ መዓስከራት ዓዲ ሓርሽን ማይ ዓይንን ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ናብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ይግዕዙ ከምዘለዉ ተገሊጹ። እቲ ንጥፈት ብምትሕብባር ዩኤንኤችሲኣርን ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ ይካየድ ከምዘሎን ብድሌት ከምዝፍጸምን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ንቢቢሲ ሓቢሩ።","category":"ኢትዮጵያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cx97wxnegzeo"} {"headline":"‘ተግባራውነት ስምምዕ ምስ ኢትዮጵያ ንዝህልወና ርክብ ኣገዳሲ እዩ’፡ ሕብረት ኤውሮጳ","content":"ሕብረት ኣውሮፓ ተፈጻምነት እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም፡ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ርክብ ዳግም ክጅምሮ ዘኽእሎ ኩነታት ከምዝፈጥር ኣፍሊጡ። እቲ ሕብረት፡ ቅድሚ ኣስታት ክልተ ወርሒ ብዝተኸተመ ስምምዓት ንሕብረት ኣፍሪቃ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ምስጋና ከምዘቕረበ ይዝከር። ድሕሪ ምፍራም ስምምዕ ንዝተራእየ ለውጢ ዘመስገነ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ነዚ ክድግፍ ድልው ምዃኑ ኣረጋጊፁ። “እቲ ስምምዕ ብዘላቕነት ክፍፀም እንተኺኢሉ እቲ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ስትራቴጂካዊ ርክብ ዳግማይ ንኽጅመር ዝገብር እዩ” ኢሉ። ሕብረት ኤውሮጳ ሓደ ካብቶም ንኢትዮጵያ  ናይ ባጀት ደገፍን ሰብኣዊ ሓገዝን ብብዝሒ ዝህቡ ለገስቲ ኮይኑ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ ግን ኣስታት 110 ሚልዮን ዶላር ናይ ባጀት ድጋፍ ክደናጎይ ገይሩ’ሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንውሳነ እቲ ሕብረት \"ኣብ ግጉይ ገምጋም ዝተመርኮሰ ስጉምቲ'ዩ\" ክብል ተቓውሞኡ ከምዘስምዐ ይዝከር። ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከምዘመልከቶ፡ እቲ ዝተበፅሐ ስምምዕ ምቁራፅ ተኹሲ፣ ዘይተገደበ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛትን ምርግጋፅ ተሓታትነት ምግሃስ መሰላትን ተግባራዊ እንተኾይኑ፡ እቲ ሕብረት ንኢትዮጵያ ዝገብሮ ልምዓታውን ቁጠባዊን ደገፍ ናብ ንቡር ክምለስ እዩ። ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያን ካልኦት ክፋላት እታ ሃገርን ልዑል ጠለብ ረድኤት ከምዘሎ ብምሕባር፡ ዘይተገደበ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ንቡር ክምለሱ ምግባርን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣመልኪቱ። ሰራዊት ኤርትራ ብቕልጡፍን ምሉእ ብምሉእን ካብ ኢትዮጵያ ክወጽእ ድማ ሓቲቱ። ሕብረት ኤውሮጳ ምስቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንኽልተ ዓመት ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለየ መንገዲ ጸቕጢ ክገብር ዝፀንሐ ኮይኑ፡ ነታ ሃገር ክገብሮ ዝጸንሐ ደገፋት ድማ ኣጉዲሉን ኣደናጉዩን ኣሎ። እቲ ደማዊ ኲናት ደው ንምኽብል ብሸምጋልነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ስምምዕ ስዒቡ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛትን ምምላስ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ምዕባለታት ከምዝተራእየ ይግለጽ። ሸምገልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ እቲ ጎንፂ ብቐዋምነት ንምቁራፅ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ይኸውን ምህላዉን ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ናብ ንቡር ምምላሱን ንምርግጋፅ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልታት ናብ መቐለ ክገሹ ምዃኖም ኣፍሊጦም ኣለዉ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72xj4vry09o"} {"headline":"ሕብረት ኣውሮጳ፡ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ርክብ ንምጽጋን እኹል ምዕባለታት የለን- ኢሉ","content":"ተኹሲ ደው ምባልን ዝርርብ ምጅማርን፣ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ፣ ዘይተገደበ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤትን ኣብ ትግራይ ዝተቛረጹ መሰረታዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ምምላስን፡ ምሕዝነት ኤውሮጳን ኢትዮጵያን ንምጽጋን ቅድመ ኩነታት እዮም። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ብኹሎም ወገናት ንዝተፈፀሙ ግህሰት መሰላት ተሓታትነት ክህሉን ክረጋገጸጽን ብዝምልከት መሰረታዊ ጉዳያት፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብንፁር ኣቕሪቡ ከምዘሎ ይገልጽ። ላዕለዋይ ወኪል ጉዳያት ወፃእን ፖሊሲ ፀጥታን ሕብረት ኣውሮጳን፡ ምክትል ፕረዚደንት ኮሚሽን ኣውሮፓን ዝዀነ ጆሴፍ ቦረል፡ እዞም ቅድመ ኩነታት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ቤት ምኽሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣውሮጳ ከምዝተልዓሉ'ውን ገሊጹ። 'ዝተዘንገዐ ኲናት ትግራይ ደው ዝብለሉ እዋን ሕዚ እዩ' [ ‘ታይም ቱ ስቶፕ ዘ ፎርጋትን ዋር ኢን ትግራይ’ ] ዝብል ፅሑፍ  ጆሴፍ ቦረል፡ ኣብ ስሩዕ መርበብ ሓበሬታ ሕብረት ኣውሮጳ ብ5 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ዝተዘርገሐ ዀይኑ፡ መርገፂ ኣውሮጳ ዘንፀባርቕ እዩ። እቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተኣወጀ ተኹሲ ደው ምባል ስዒቡ፡ ገለ ምምሕያሻት ተራእዩ እኳ እንተሎ፡ ዝምድና ሕብረት ኤውሮጳን ኢትዮጵያን ንምምላስ እኹል ምምሕያሻት ከምዘይኮነ ይገልጽ። ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጉዳያት ወፃኢ እውን ተመሳሳሊ ቅዋም ከምዝሓዘ ይግለጽ። ምስ'ቲ ኲናት ብዝተኣሳሰር ዝተፈፀሙ ጥሕሰታት ስዒቡ፡ እቲ ሕብረት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሃብ ዝነበረ ናይ ባጀት ደገፍ ደው ከምዝበለ ዝዝከር እዩ። ይኹን እምበር እቲ ሕብረት፡ \"ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብቐጥታ ዝገብሮ ደገፍ ኣየቋረፀን\" ዝበለ ጆሴፍ ቦረል፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዓውድታት ጥዕናን ትምህርትን ብግጭት ንዝተሃስዩ ከባቢታት ዝተውሃበ ናይ 80 ሚልዮን ዩሮ ደገፍ ከም ኣብነት ጠቒሱ። እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እቲ ሕብረት፡ ኣብ ክልል ትግራይ ንክልተ ዓመታት ጥሜትን ፆታዊ ዓመፅን ከም መሳርሒ ውግእ ኣብ ረብሓ ዝወዓለሉ ዘስካሕክሕ ኲናት ከምዝዀነ ገሊጹ ። ዋላ'ኳ እቶም ተዋጋእቲ ወገናት ዘተ ሰላም ከካይዱ ድሌት ከምዘለዎም እንተገለጹ፡ \"ኣገልግሎት መግቢ፣ መድሓኒት፣ ኤሌክትሪክ፣ ቴሌኮምን ባንኪን ከም መሳርሒ ኲናት ይውዕሉ ኣለው\" ኢሉ ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ፍሉያት ልኡኻት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣሜሪካን ኣውሮጳን፡ ምስ ሰበስልጣን ኣዲስ ኣበባን ትግራይን ብዛዕባ ፖለቲካዊ ዘተን ምምላስ መሰረታዊ ኣገልግሎትን ከምዝተዘራረቡ ኣዘኻኺሩ። እዞም ልኡኻት፡ ዋላ እኳ ብዛዕባ ሰላማዊ ዝርርብ እንተተነግረ፡ እቲ ኲናት ግን ‘ድምፂ ኣልቦ’ ኮይኑ ገና ይቕፅል ከምዘሎ እዮም ተዓዚቦም- ይብል። እቶም ፍሉያት ልኡኻት፡ ናብ ትግራይ ድሕሪ ምእታዎም ኣብ ነዳዲ፣ ጥረ ገንዘብን ድኹዒን ዝተነብረ እገዳ ክለዓል ከምዘለዎ ገሊፆም። ካብ ኣመራርሓ ትግራይ ናብ ፌደራል መንግስቲ ዝተላእከ ደብዳበ ሒዞም ምምጸኦም ድማ ዝዝከር እዩ። እቲ ደብዳበ፡ ዝተቋረጹ መሰረታዊ ግልጋሎት ናብ ንቡር ንክምለስ ዝሰርሑ ክኢላታት ድሕንነቶም ዘረጋግፅ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቶም ልኡኻት ነቲ ቅድመ ኩነት ኣብ ምምላእ ትኹረት ከምዝገበሩ ወቒሱ ጥርዓን ከምዘቕረበ ይዝከር። ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ ነቲ ዝተቛረጸ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ብዝምልከት፡ መንግስቲ ዘለዎ መርገጺ ንጹር ምዃኑ፡ ኣገልግሎት ዝጅመረሉ ኩነታት ምፍጣርን ዘተ ሰላም ምጅማርን ቀዳምነት ክወሃቦ ይግባእ ኢሉ። ጆሴፍ ቦረል ብወገኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ንዝገበሩ ኮሚሽነር ሕብረት ኣውሮፓ ሌናርቺች ብምጥቃስ፣ ምምላስ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ምንቅስቓስ ሰባት፣ ኣቑሑትን ኣገልግሎታትን ክትዕ ወይ ድርድር ከምዘየድልዮ ገሊጹ። \"ምኽንያቱ እዚ ሕቶ ህይወት ህዝቢ ምድሓን ስለዝኾነ\" ኢሉ። \"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ካልኦትን ዘለዎ ግዴታ ብዘይ ወዓል ሕደር ክፍፅም ንፅበ። እዚ ማለት ፖለቲካዊ መስርሕ ንኽጅመር ሓደ ወገን ቅድመ ኩነት ምቕባል ማለት ኣይኮነን። እዚ ንህዝቡ ዘለዎ ግዴታ ክዋጻእ ምሕታት እዩ\" ኢሉ። ኣብ ትግራይ 4.8 ሚልዮን ህዝቢ፣ ኣብ ዓፋር 1.2 ሚልዮን ህዝቢ፣ኣብ ክልል ኣምሓራ ድማ ልዕሊ 7 ሚልዮን ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣፍሊጡ። ኣብ ተበፃሕነት እዞም ሰብኣዊ ሓገዛት ዝተወሰነ ምምሕያሽ እኳ እንተተራእየ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ግን ሐዚ እውን ዓብዪ ፀገም ኮይኑ ኣሎ። እቲ ወጥሪ ኣብ ካልኦት ክልላት እታ ሃገር ይረአ ከምዘሎን ዝተፈላለዩ ውሽጣውን ስግረ-ዶባውን ጎንፅታት ኩነታት ፀጥታ እታ ሃገር የጋድዱዎ ከምዘለዉ ይንገር። ጆሴፍ ቦረል፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዶብ ኢትዮ-ሶማል ዝኣትዉ ዕጡቓትኣልሸባብ፡ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ቅልውላው ዘጋጥም ሓደጋ ዘጉልሕ ምዃኑ ጠቒሱ። \"እዚ ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝጸሉ ዘሎ ደማዊ ኲናት ደው ዝብለሉ እዋን ሕጂ እዩ\" ክብል እቲ ሕብረት ንኹሎም ወገናት ክዘራረቡን ኣብ ስምምዕ ክበጽሑን ጻውዒት ኣቕሪቡ። \"እቶም ተዋጋእቲ ወገናት ንሰላም ዘለዎም ቆራጽነት ዘርእይዋኑ'ዩ\" ዝበለ ጆሴፍ ቦረል፡ ምኽንያቱ ድማ ህዝቦም፣ ሃገሮምን እቲ ዞባን ካብ ህውከት ከድሕኑ ተላብዩ። \"ንሰላማዊ ስምማዕ ትብዓት ይሓትት። ወይ ድማ ናብ ዘተን ስምምዕን ምምጻእ ካብ ምቕጻል ኲናት ንላዕሊ ትብዓት ይሓትት\" ኢሉ። ወሲኹ ድማ \"ኣብ መስርሕ ሰላም፡ ሓደ ኣካል ክዕወትን እቲ ካልእ ድማ ክስዕርን ኣይኮነን። ብዓሚቕ ትርጉሙ ፖለቲካዊ መሪሕነት ምልምማድ እዩ። ዋላ እኳ ንእሽቶ መስኮት ዕድል እንተሃለወ፡ ሕዚ እዩ እቲ ግዜ። ኩሎም ተፃባእቲ ወገናት ነዚ ዕድል ክጥቀሙሉ ንጽውዕ” ኢሉ ጆሴፍ ቦረል።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72rmlp1z4eo"} {"headline":"ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብ ጉዳይ ኲናት ትግራይ ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነቒፉ","content":"ሕብረት ኣውሮጳ፡ ንኲናት ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ብሓሙስ ኣብ ዘመሓላለፎም ውሳነ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኲናት ትግራይ ክፈትሕ ብዘይምኽኣሉ ኣዝዩ ከም ዘሕዝኖ ኣፍሊጡ። ኲናት ትግራይ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም [ግእዝ] ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ፡ ስልኪ፣ ባንክን ኢንተርነትን ሓዊሱ ኣብ’ቲ ክልል  ተቛሪጾም ዝርከቡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ብዘይ ወዓል ሕደር ናብ ንቡር ክምለሱን ተጻብኦታት ብቕልጡፍ ደው ክብሉን ሓቲቱ ኣሎ። ሰራዊት ኤርትራ'ውን ካብ ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ ክወጽእን \"ንዝፈጸሞ ገበናት\" ተሓታቲ ክኸውንን ተላብዩ። ባይቶ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብ’ቲ ብሓሙስ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ባይቶ ጸጥታ ንኲናት ትግራይ ፍታሕ ከምጽእ ከምዘይከኣለ ብምውቃስ፡ “እቲ ባይቶ፡ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረድኤት ክበጽሕ ከረጋግጽ፣ ሰላማውያን ሰባት ውሕስነቶም ክሕሎ፡ ከምኡ እውን ከቢድ ጥሕሰት ዓለምለኻዊ ሕጊ ዝፈጸሙን ግፍዕታት ዝሰርሑ ብሕጊ ክሕተቱ ትርጉም ዘለዎ ስጉምቲ ክወስድ ንላቦ” ይብል። ኣብ'ቲ ጉዳይ፡ ልዕሊ ዓሰርተ ግዜ ከምዝዘተየ ዝዝረበሉ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ተሪር ውሳነ ከሕልፍ ኣይከኣለን። ብፍላይ ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር ስልጣን ዘለዎን ሃገራት ቻይናን ሩስያን፡ ‘ውሽጣዊ ጉዳይ እዩ' ብዝብል መርገጺአን፡ ክቃወማ ምጽነሐን ዝዝከር እዩ። ሕብረት ኣውሮጳ፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝህቦ ዝነበረ ዓመታዊ ድጋፍ ጠጠው ዘበለ ዀይኑ፡ ምስ መንግስቲ ርክቡ ንምሕዳስ ኣብ ትግራይ ዝተቛረጹ መሰረታዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ክምለሱ ከም ቅድመ-ኩነት ኣቕሚጡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። እቲ ሰፊሕ ውሳነ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብ ትግራይን ጎረባብቲ ክልላት ኢትዮጵያን፡ ተፃብኦታት ክቋረጽን ተኹሲ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ-ኩነት ደው ክብልን ይሓትት። ኣባላት ባይቶ ኤውሮጳ፡ ንኹሎም በቲ ኲናት ዝተሃስዩ ምሉእ፣ ውሑስን ዘላቕን ሰብኣዊ ተበጻሕነት ከረኽቡ ይላቦ። ባይቶ'ቲ ሕብረት፡ ካብ ኩሎም ተጻባእቲ ወገናት ዝተርኣየ ዝበሎ፡ ኮነ ኢልካ ንሲቪላት ዒላማ ምግባር ክኹንን እንከሎ፡ ህጻናት ንውትህድርና ይምልመሉ ኣለዉ ዝብሉ ጸብጻባት’ውን ወቒሱ። “ኮነ ኢልካ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ ​​ንህጻናት ዒላማ ምግባር፡ ከምኡ’ውን ህጻናት ወተሃደራት ምምልማልን ምጥቃምን ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን እዩ” ኢሉ። ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ፍርቂ ነፍሰ-ጾራትን ኣደ ቖልዑ ኣዴታትን፡ ሓደ ካብ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመትን ዝዕድሚኦም ሰለስተ ህጻናት ተጋሩ፡ ሕጽረት መዓዛዊ ምግቢ ከምዘጋጠሞም እቲ ሰነድ የዘኻኽር። ብሓፈሻ፡ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ 1.39 ሚልዮን ህጻናት  ካብ ትምህርቲ ቦዂሮም ከምዘለዉ’ውን እቲ ሰነድ ይሕብር። እቲ ውሳነ ሓሳብ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብሰለማዊ መገዲ ንምፍታሕ፡ ብፍላይ ድማ ብሽምግልና ሕብረት ኣፍሪቃ ንዝግበር ኩሉ ዲፕሎማስያዊ ፃዕሪ ከምዝድግፍ ይገልፅ። ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንፈለማ እዋን፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ቀጥታዊ ልዝብ ንምክያድ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ንመራሕቲ ትግራይን ዕላዊ ጻውዒት ከምዘቕረበን፡ ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ከምዝተቐበልዎን ይፍለጥ። ባይቶ ኤውሮጳ፡ መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ካብ ኢትዮጵያ ‘ብቕልጡፍን ንሓዋሩን’ ከውጽእን ንዝተፈጸሙ ገበናት ተሓታትነት ከረጋግጽን ይጠልብ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ሰራዊቱ ፈጺሞምዎ ዝበሃል ገበናት ይነጽግ። ሕብረት ኣውሮጳ፡ 22 መስከረም 2022፡ እቲ ኲናት ዳግማይ ምሰተወለዐ፡ ምትእትታው ሰራዊት ኤርትራ፡ ነቲ ኲናት ዝያዳ ከተሓላልኾ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ኔሩ። ኣብ ቤልጂየም ብራስለስ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሃቦ ግብረ መልሲ ግና፡ “ጭቡጥ መሰረት ዘይብሉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብፍላጥን ብሕቡእ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ንመሰረታዊ መንቀልታትን ኩነታትን ኲናት ኢትዮጵያ ዕሽሽ ዝብል እዩ” ክብል ነቲ ክሲ ነጺግዎ። ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብወተሃደራት ኤርትራ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዝተኸፈቶምን ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውቡ ከባቢታት ከቢድ ውግእ ከምዝተኻየደን ሓቢሮም ነይሮም። ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብምጉህሃር ንኤርትራ ይኸስዋ። ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሃገሩ ኣብ ትግራይ \"ፍሉይ ድልየት የብላን\" ዝበለ ኰይኑ፡ ንህወሓት ግን \"ኣንጻር ኤርትራ ሱር ዝሰደደ ተጻባኢ ኣጀንዳ ኣለዎ\" ክብል ከሲስዎ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ሓድሕድ ከብቅዕ ዝጽዕር ዘሎ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር፡ ወተሃደራት ኤርትራ ዶብ ሰጊሮም ናብ ትግራይ ከምዝኣተዉ ኣሜሪካ ከምትፈልጥ ምግላጹ ይዝከር።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c0vl8jrpgv4o"} {"headline":"ሩስያ ሓደ ሕምሺት ግዝኣት ዩክረይን ከምእተቆጻጸረት ተገሊጹ","content":"ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሓይልታት ሩስያ ካብ ግዝኣት ሃገሩ ነቲ 20% ተቖጻጺሮም ከምዘለው ገሊጹ። ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩከረይን ዝፈጸመቶ ወራር ናብ መበል 100 መዓልቱ ተቓሪቡ ኣሎ። እቲ ፕረዚደንት ንኣባላት ባይቶ ላክሰምበርግ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ እቲ ግንባር ንልዕሊ 1000 ኪሜ ከምዝዝርጋሕ ተዛሪቡ። ንሱ ብቪድዮ ብቐጥታ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ “ኩሎም ንግጥም ድልዋት ዝኾኑ ኣሃዱታት ሩስያ ኣብቲ ወራር ይሳተፉ ኣለው” ኢሉ። ሓይልታት ሩስያ ነታ ኣብ ምብራቓዎ ዞባ ዶንባስ እትርከብ ከተማ ሰቨሮዶነስክ ንምቁጽጻር ዝገብርዎ መጥቃዕትታት ኣሐዪሎም ኣለው። እቶም ሓይልታት ንዝበዝሕ ክፋል እታ ከተማ ተቖጻጺሮም ከምዘለው ሰብ መዚ ምክልኻል ብሪጣንያ ሓቢሮም። ሩስያ ነታ ከተማ ንምቁጽጻር “ብኹሉ ሸነኻት” ፈተነ ተካይድ ከም ዘላ ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ሰርሂ ሃይዳይ ተዛሪቡ። ንሱ ወሲኹ ወተሃደራት ዩክረይን ጸረ መጥቃዕቲ ብምክያድ “ኣብ ገለ ጎደናታት ንጸላኢ ብምድፋእ ብዙሓት ይማርኹ ኣለው” ኢሉ። ኣብ ውሽጢ ከተማታት ዝካየድ ዘሎ ፅዑቕ ውግእ ብዙሓት ክፈናቐሉ ምኽንያት ይከውን ከምዘሎ ብምሕባር ድማ ከምዚ ዝበለ ኩነታት \"ኣዝዩ ሓደገኛ\" ምዃኑ ገሊፁ። ሓሙስ ምሸት ብቪድዮ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ኣብ ዶንባስ ዘሎ ኩነታት ብዘይ ለውጢ ከምዘይተረኣዮ ድሕሪ ምባል ኣብቲ ናይ ሴቨሮዶነስክ ውግእ ግን ዩግሬናውያን \"ውሱን ዓወት\" ከምዝረኸቡ ጠቒሱ። ኣብታ ከተማ ኣስታት 15,000 ሰላማውያን ሰባት ዝተቐርቀሩ ኮይኖም መብዛሕቲኦም ከኣ ኣዞት ኣብ ዝተብሃለ ዓብዪ ፋብሪካ ካሜካል ኣዕቚቦም ይርከቡ። ወተሃደራት ሩስያ ብረቡዕ ደብዳብ ከቢድ ብረት ኣብ ዘካይዱሉ እዋን ነቲ ቦታ ዒላም ምግባሮም \"ዕብዳን\" ክብል ዘለንስኪ ንሩስያ ነቒፉ ነይሩ። ብኻልእ ገጽ፡ሩስያ ምስቲ ኣብ ዝተቖፃፀረታ ከተማ ማሪዩፑል ዘጣየሸቶ ምምሕዳር ኣይንተሓባበርን ንዝበሉ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ትቐትል ምህላዋ ከንቲባ ናይታ ከተማ ይኽስስ። ቫዲም ቦይቼንኮ እታ ከተማ ኣብ ኢድ ሰራዊት ሩስያ ቅድሚ ምውዳቓ ዝወፅአ ኮይኑ፡ ብዙሓት ነበርቲ 'ኦሌኒቭካ' ኣብ ዝተብሃለ ቤት ማሕዩር ይእሰሩ ከምዘለዉን በቶም ዝተቖፃፀርዋ ሓይልታት ብዙሓት ነበርቲ ስቅያት ይበጽሖም ከምዘሎን ዝገልጽ ሓበሬታ ከምዝበጽሖ ይዛረብ። ቢቢሲ ነዚ ክሲ ካብ ዘይሻራዊ ኣካል ከፃርዮ ኣይከኣለን። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቢቢሲ ዘዘራረቦ ኣማኻሪ እቲ ከንቲባ፡ ሩስያ ነታ ከተማ ኣብ ከበባ ብምእታው ክትድብድባ ከላ ብውሕድ 22,000 ሰባት ምዝተቐተሉ'ዩ ሓቢሩ። ማዕቐባት ምዕራባውያን መራሕቲ ምዕራባውያን ሃገራት ኣንፃር ደገፍቲን መሻርኽትን ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ልዕሊ ዝኾኑ ኣካላት ዘንብርዎ ማዕቐባት ኣበርቲዖም ቀጺሎምሉ ኣለዉ። ክፍሊ ገንዘብ ኣሜሪካ ምስ ፑቲን ርክብ ኣለዎም ንዝብሃሉ ሰብዋና ነኣሽቱ ናይ መቀዳደሚ ጀላቡን ሓደ ተፃዋቲ ሴሎ ዝብሃል ዓይነት መሳርሒ ሙዚቃን ዝርከብዎም ሰባት ዒላማ ዝገበረ ሓድሽ ረቂቕ ማዕቐባት ትማሊ ሓሙስ ወግዓዊ ገይሩ'ሎ። ካልኦት ምስ ፑቲንን ወሃቢት ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ሩስያ ማሪያ ዛካሮቫን ቅርበት ዘለዎም ሓሙሽተ ኣዝዮም ሃብታማት ሰባት ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ሃብቶም ከይንቀሳቐስን ምስ ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ትካላት ብምትሕብባር ከይሰርሑን ተገዲቦም ኣለዉ። ኣውሮጳውያን ብወገኖም ኣንፃር ሩስያ በዓል ሽድሽተ ጥምሮ ማዕቐባት ኣብ ምድላው ይርከቡ። ካልኦት ዝተፈላለዩ ማዕቐባት እውን ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛታት፣ ትካላትን ሰብሃብትን እታ ሃገር ይድንገጉ ኣለዉ። ኣመሪካ ንዩክሬን ናይ ነዊሕ ርሕቐት መወንጨፊ ሮኬታት ብሓገዝ ክትህባ ምዃና ፕረዚደንት ባይደን ብሮብዕ ወግዓዊ ከምዝገበረ ይዝከር። ወሃቢ ቓል መንግስቲ ሩስያ ዲመትሪ ፔስኮቭ፡ ኣመሪካን መሻርኽታን ኮነ ኢለን ዝተናውሐ ኲናት ንኽህሉ \"ኣብ ልዕሊ ሓዊ ነዳዲ ይውስኻ ኣለዋ\" ክብል ከሲሱ'ሎ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv24yd73nrko"} {"headline":"‘ኣብ መቐለ ዝተካየዱ መጥቃዕትታት ድሮን ንተስፋ ሰላም ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ እዮም’ ኣውሮጳዊ ሕብረት","content":"ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ኣብ ትግራይ ዝተፈጸሙ መጥቃዕታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ [ድሮን]፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምምጻእ ዘሎ ተስፋ ዳግም ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ ብምባል ኰኒኑ። ኢምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ብሩስልስ፡ ቤልጂም ብወገኑ፡ ብመግለጺ ሕብረት ኣውሮጳ ኣዝዩ ከምዝሓዘነ ዝገለጸ ዀይኑ፡ \"ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብህወሓት ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ኣመልኪቱ ትሒም ኣይበለን\" ብምባል ከሲሱ። እቲ ኢምባሲ፡ ሕዚ'ውን ብኣፍሪቃ ሕብረት ዝምእዘን ዘተ ሰላም ንምስታፍ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድልው ምዃኑ ሓቢሩ። ሕብረት ኣውሮጳ ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ትግራይ ተጻብኦታት ደው ብምባል ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝመርሖ ዝርርብ ሰላም ንምስታፍ ዘርኣዮ ድልውነት፡ እቲ ግጭት ጠጠው ንምባል፣ ኣብ ልዝብ ዝተሞርኰሰ ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦን ቀጥታዊ ዝርርባትን ንክብጻሕ ዕድላት ክኸፍት ምተገብአ ኢሉ። ይኹን’ምበር፡ “እቶም ኣብ ከተማ መቐለ ዝተፈጸሙ መጥቃዕታት ድሮን፡ ዳግም ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምምጻእ ዝነበረ ተስፋ ኣብ ሓደጋ የውድቑዎ ኣለው” ክብል ስግኣቱ ገሊጹ። ትማሊ ረፋድ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተፈጸመን ብሰንኩ ህይወት ሰብ ከም ዝጠፍአን ሓካይም ሆስፒታል ዓይደር ገሊጾም። ብሰሉስ’ውን ካልእ መጥቃዕቲ ድሮን ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ መቐለ ዩኒቨርሲቲን ትካል ቴሌቪዥንን ሬድዮን ድምጺ ወያነን ዒላማ ከም ዝዀኑ ሰብ መዚ እቲ ክልል ከሲሶም። መንግስቲ ፌደራል፡ ዛጊት ብዛዕባ እቶም ዝቐርቡ ዘለው ክስታት መጥቃዕታት ድሮን ምላሽ ኣይሃበን። ኣብ ትግራይ ኣገልግሎታት ቴሌኮም ተቛሪጾም ብምህላዎም ድማ ነዚ ሓበሬታ ብናጻ ኣካል ምርግጋጽ ኣይተኻእለን። እቲ ኲናት ዳግም ኣብ ዝተወልዓሉ ሰሙን ግን፡ ማእከላይ መንግስቲ ህዝቢ “ካብ ወተሃደራዊ ዒላማታት” ክርሕቕ ኣለዎ ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ። ሰብ መዚ ትግራይ፡ ኣብቶም ክሳብ ሕጂ ዝተፈጸሙ መጥቃዕታት ሲቪላውያን ግዳያት ይዀኑ ምህላዎም ይዛረቡ። መራሕቲ ትግራይ ብ1 መስከረም 2015 ዓ.ም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየድ ልዝብ ምቹእ ኩነታት ንምፍጣር ስምምዕ ህጹጽ ምቁራጽ ተጻብኦ ንክግበር ድልየት ከም ዘለዎም ኣመልኪቶም ኣለው። ነቲ ኲናት ደው ንምባል፡ ብሸምጋልነት እቲ ሕብረት ኣብ ዝግበር ዝርርብ ሰላም ንምስታፍ ድልየት ከም ዘለዎ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ዝጸንሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ ነዚ መራሕቲ ትግራይ ዘቕረቡዎ ሓሳብ ኣመልኪቱ ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ መልሲ የለን። እቲ ኲናት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዳግም ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ምብጻሕ ሰብኣዊ ረድኤት ክቋረጽ እንከሎ፡ እዚ ኣብ መነባብሮ ስቪላውያን፣ ቁጠባን ዕብየትን እታ ሃገር ከቢድ ጽልዋ ይፈጥር ኣሎ ይብል። እቲ ብመገዲ ኣፈኛ እቲ ሕብረት ዝወጽአ መግለጺ “ተራ ኤርትራ ሕጂ’ውን ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምምጻእ ንዝግበር ጻዕርታት ይዕንቅፍ ኣሎ” ኢሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንምምጻእ ሰላማዊ ልዝባት ብሕታዊ ኣማራጺ ምዃኖም’ውን ዘዘኻኸረ እቲ ሕብረት፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ስምምዕ ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦ ንክበጽሑን ተጻብኦታት ጠጠው ንከብሉን ሓገዝ ከም ዝገብር ሓቢሩ። ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ቀጺሉ ዝነበረ ምቁራጽ ተጻብኦ ፈሪሱ፡ ናብ ካልእ ዙር ኲናት ካብ ዝኣትዉ ኣስታት ሰለስተ ሰሙናት ተቖጺሮም ኣለዉ፡፡ ነቲ ኲናት ዳግም መን ጀሚርዎ ኣብ ዝብል፡ ክልቲኦም ወገናት ንሓድሕዶም ይካሰሱ። ማሕበረሰብ ዓለም ክልቲኦም ወገናት ናብ ልዝብ ንክመጽኡ ጻዕርታት ይገብር ከም ዘሎ ይገልጽ። እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት፡ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒሙ’ዩ። ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ክኣ፡ እቲ ናይ ሕጂ ሓዊሱ ሰለስተ ዙር ውግኣት ተኻይዶም። እቲ ሳልሳይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዳግም ቅድሚ ምውልዑ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ህድእ ኢሉ ጸኒሑ’ዩ። ኣብዚ እዋን፡ ክልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት ንምዝርራብ ክሽምግሉ ጻዕሪ ዝገብሩ ዝነበሩ ኣካላት ዝሰመረሎም ኣይመስልን። ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከበድቲ ውግኣት ይካየዱ ከም ዘለውን ሰፊሕ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ከም ዘሎን ይግለጽ። መራሕቲ ትግራይ፡ ብርክት ብዝበሉ ግንባራት ሰፋሕቲ ውግኣት ይካየዱ ከም ዘለውን ኣብ ከተማ መቐለ ተደጋጋሚ ደብዳብ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ይፍጸም ከም ዘሎን ይገልጹ። ብሸነኽ መንግስቲ ፌደራል ግን ነዚ ኲናት ኣመልኪቱ ዝተባህለ ነገር የለን። መንግስቲ ኰነ መራሕቲ ትግራይ፡ እቲ ኲናት ብልዝብ ንክፍታሕ ድልየት ከም ዘለዎም እኳ እንተ ኣፍለጡ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ዝርኣዩ ዘለው ክስተታት ግን ክልቲኦም ወገናት ናብ ጠረጴዛ ሰላም ዘብጽሖም ስጉምቲ ይወስዱ ከም ዘየለው ዘመላኽቱ ከም ዝዀኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyxnqnwpke3o"} {"headline":"ሽወደን፡ ስለምንታይ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ 300ሽሕ ስደተኛታት ግዝያዊ ክትቅይሮ ወጢና?","content":"ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ሽወደን ስልጣን ዝተቘጻጸረ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ፡ ነቶም ኣቐዲሞም ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቦም ኣስታት 300 ሽሕ ዝዀኑ ስደተኛታት ወረቐቶም ናብ ግዝያዊ ፍቓድ ክቕይሮ ዘኽእሎ ሕጋዊ ሸነኻት እንተሎ መጽናዕቲ ክገብር ምዃኑ ድሕሪ ምእማሙ፡ ኣብ ስደተኛታት ዓቢ ሻቕሎትን ፍርሕን ፈጢሩ ኣሎ። ቢቢሲ ትግርኛ ኣብታ ሃገር ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ንዝነጣጠፍ ጋዜጠኛን ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን ኻልድ ዓብዱን ኣብ ሳውዝ ባንክ ዩኒቨሪሲቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብዛዕባ ጉዳይ ስደተኛታት ዝምህርን ዝመራመርን ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብን በቲ ኵነታት ንዝተሻቐሉ ኤርትራውያንን ኣዘራሪቡ ኣሎ። ብዝተፈላለየ ምኽንያት፡ ካብ ቤቱን መሬቱን ናብ ቀረባን ርሑቕን ዝሰገረ ስደተኛ፡ ኣብታ ዝኣትዋ ሃገር፡ መሰሉ ዘኽብርን ግዴታኡ ዝነግርን ብ1951 ኣብ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ጀኔቫ ዝጸደቐ፡ ብውዕል ጀኔቫ 1951 ዝፍለጥን ንዕኡ ዝድርዕ ናይ 1967 ፕሮቶኮልን ዝተዋሕሰ ሰነድ ኣሎ። እዚ ሰነድ ዝዀነ ይዅን ሰብ ኣብ ሃገሩ፡ ብሃይማኖታዊ እምነቱ፡ ብፖለቲካዊ ኣረኣእያኡ፡ ብዘርኡን ዓሌቱን፡ ብብሄሩን መንነቱን፡ ከምኡ'ውን ኣባል ሓደ ጕጅለ ብምዃኑ ካብ መንግስቲ ይኵን ካብ ዝዀነ ጕጅለ ጸቕጢ ምስዘጋጥሞ ውልቀ ጉዳዩ ተራእዩ ውሕስነት ንኽወሃቦ ዘፍቅድ እዩ። መንግስቲ ሽወደን ከኣ በዚ መንፈስን ኣህጉራዊ ውዕልን እዩ ተቐቢሉዎም፡ ይብል ዶክተር ጋይም ክብረኣብ። ኣብ መስርሕ ሕቶ ዑቕባ ግዝያውን ነባርን መንበሪ ፍቓድ ምህላው ዝጠቅስ ናይቲ ዓውዲ ክኢላን መምህርን ፕሮፌሰር ጋይም፡ ሃገራት ንሕቶ ዑቕባ ነብሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ገምጊመን ግዝያዊ ወይ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ከምዝህባ ይገልጽ። እቲ ግዝያዊ መንበሪ ፈቓድ ዝበሃል፡ ንኣብነት እቲ ምኽንያት ስደት ዝዀነ ነገር፡ ከም ውግእ ሓድሕድ እንተዀይኑ ንሱ ክሳብ ዝዓርፍ ጥራይ እዮም ኣብታ ሃገር ክነብሩ ዝኽእሉ። ክሳብ ሽዑ እውን ደቆምን ሓዳሮምን ክጥርንፉ ይኵን ናብ ኵሉ ዘግይሽ ፓስፖርት ናይ ምርካብ ዝኣመለሰ ድሩት መሰላት እዩ ዘለዎም። እቶም ቀዋሚ መንበሪ ፈቓድ ዝተዋህቡ ግን ስደራኦም ክጥርንፉ ይኵን ብዘይካ ናብ ሃገሮም ናብ ዝደለይዎ ካልእ ክገሹ ዘፍቅድ መሰላት ይረኽቡ። ካብዚ ሰፊሕ መሰል ዘውህብ ቀዋሚ መንበሪ ናብ ግዝያዊ መንበሪ ምውራድ ማለት እምበኣር ብዙሕ ነገር ከምዘሰናኽል የረድእ። ጋዜጠኛን ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን ኻልድ ዓብዱ፡ እቲ ሕጂ መንግስቲ ሽወደን ነቲ ቀዋሚ ናብ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ክቕይሮ ዘኽእሎ ዕድላት ክርኢ ምዃኑ ዝገለጾ እማመ ንብዙሓት ስደተኛታት ኣሻቒሉ'ኳ እንተሎ ብቐሊሉ ክትግበር ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ከምዘይበሉ’ዩ ይገልጽ። ቅድሚ ሕጂ እውን መንግስቲ ሽወደን ነቶም ብናይ ሓሶት ታሪኽን ዛንታን መንበሪ ፍቓድ ዝረኸቡን ‘ኣብ ዓድና ስግኣትን ፍርሕን ኣሎና’ ኢሎም ዑቕባ ሓቲቶም ከብቅዑ ተሓቢኦም ንሃገሮም በጺሖም ዝመጽኡ ስደተኛታት መንበሪ ፍቓዶም ከሕድጐ'ኳ እንተጸንሐ፡ እዚ ሕጂ ስልጣን ተረኪቡ ዘሎ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ዝብሎ ዘሎ ግን ፍልይ ዝበለ እዩ። “ቅድሚኡ ዝነበረ ብሕግን ምርጫን ስልጣን ዝሓዘ መንግስቲ ሽወደን፡ ብኣህጉራዊ ውዑል ስደተኛታት ጉዳዮም ሰሚዑን መርሚሩን መንበሪ ፍቓድ ንዝሃቦም ኣስታት 300 ሽሕ ስደተኛታት ንቀዋሚ ፍቓዶም ናብ ግዝያዊ ክቕይሮ እየ ምባል ከምቲ ሓላፊ ክፍሊ ኢሚግሬሽን ሽወደን ዝበሎ ዘየሻቕል ኣይኮነን፤ ግን ከኣ ብቐሊሉ ዝትግበር ኣይኮነን” ይብል ኻልድ። ዳርጋ ኣብ ኵሉ ሃገራት ምዕራብ፡ ‘ስደተኛታት ኣብ ከም ሓሺሽን ባእስን ዕግርግርን፡ ስርቅን ምጥፍፋእን ዝኣመሰለ ዘይቅቡል ተግባራት እናተዋፈሩ ንባህላዊ ክብርታትና የበላሽው ኣለው’ ዝብል ክሲ ጸኒሑን ኣሎን። ብፍላይ እተን የማናዊ ኣተሓሳስባ ዝኽተላ ሰልፍታት መብዛሕቱ ግዜ ኣብ እዋን ምርጫ “ጽልኣት ስደተኛታት” ዘንጸባርቕ ጐስጓስ ከካይዳ ምስማዕ ልሙድ ምዃኑ፡ ጋዜጠኛ ኻልድ ዓብዱ ይገልጽ። “እዚ ሕጂ ኣብ ሽወደን ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ እውን ካብቲ ኣተሓሳስባ እቲ ዝወጽእ ኣይኮነን” ይብል ኻልድ። መንግስቲ ሽወደን፡ ብዙሓት ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂቡዎም ከብቅዕ ዓቕሞም ኣማዕቢሎም ሰሪሖም ነብሶም ክጥውሩ ስለዘይከኣሉን ቀጻሊ ሓገዝ መንግስቲ ስለዝሓቱን፡ ምእንቲ ቀዋሚ ፍቓድ መንበሪኦም ክዕቅቡ ዝገብሮ ዘሎ ጸቕጢ ክኸውን ከምዝኽእል ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ ይግምት። “ሓቂ እዩ እቶም ካብ ሃገሮም ነፊጾም ከቢድ ሓደገኛ ጕዕዞ ሰጊሮም ድሕሪ ክንደይ መከራ ዓዲ ሰላም በጺሖም ዑቕባ ዝሓቱ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጽኡ ስደተኛታት ንባህልን ቋንቋን እተን ዘዕቁባኦም ሃገራት ኣጽኒዖም ተማሂሮም ኣብ ስራሕ ዓለም ክሳተፉ ግዜ ዝወስድ'ኳ እንተዀነ፡ እቶም ኵሎም ብትሑት ክፍሊት ኣብ ዝተፈላለየ ጽላት ቁጠባ እተን ሃገራት ኣብ ጉልበታዊ ዕዮ ዝሳተፉ ስደተኛታት እዮም” ይብል ፕሮፌሰር ጋይም። “ዝዀነ ይዅን ስልጣን ዝሓዘ ስርዓት ነቲ ኣብታ ሃገር ዝጸንሐ ሕግታት ቀይሩ ንዕኡ ዝምእምኦ ነገር ክገብር ይኽእል’ዩ” ዝብል ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ፡ ብፍላይ እቶም ኣብ ስደተኛታት ክቱር ጽልኣት ዘለዎም የማናውያን ሰልፍታት ንነቓዓት ናይ ሕግታትን ትንታኔታትን ኣጽኒዐም ዘዋጽኦም ነገር ክገብሩ ከምዝኽእሉ ብምሕባር፡ እቲ ካብ ቀዋሚ መንበሪ ፈቓድ ናብ ግዝያዊ መንበሪ ናይ ምቕያር መስርሕ ንኣህጉራዊ ውዑል ጄነባ ዝጻረር ስለዝኾነ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ሕጊ ክኢላታትን ደያኑን ጠጠው እንተዘየቢሎሞ ኣፍካ መሊእካ እትዛረበሉ ዘተኣማምን ውሕስነት ኣሎ ክትብል ኣጸጋሚ ምዃኑ ይገልጽ። ጋዜጠኛ ኻልድ ዓብዱ እውን ፖለቲከኛታት ኵሉ ሳዕ ንዝደልዩዎ ፖሊሲ ከተግብርሉ ዝኽእሉ ነቓዓት ሕጊ ሃሰስ ምባሎም ዝተለምደ ኰይኑ፡ እዚ ሕጂ ስልጣን ዝተረከበ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ከኣ ነቲ “ስደተኛታት ጸገም ኰይኖምና” ዝብል ስምዒት ናይቲ ህዝቢ ምኽንያት ብምግባር ቀዋሚ መንበሩ ፍቓድ ዘለዎም ስደተኛታት ናብ ስራሕዓለም ክዋፈሩን ነብሶም ክኽእሉን ጸቕጢ ንምግባር ዝግበር ዘሎ ምውስዋስ ኮይኑ ከምዝስምዖ ይሕብር። ቅድሚ ሸውዓተ ዓመታት ናብ ሽወደን ዝኣተወት ሃይማኖት ዝተባህለት ስደተኛ ነባሪት ሽወደን፡ ስደት፡ ምርጫ ስኢንካን ተገዲድካን እትኣትዎ ንዅለንትናኻ ዝፈታተን ኣዝዩ መሪር’ዩ ምዃኑ ብምግላጽ፡ በዚ ሕጂ መንግስቲ ሽወደን ካብ ቀዋሚ ናብ ግዝያዊ መንበሪ ፈቓድ ንምቕያር ኣሚምዎ ዘሎ ሓሳብ ከይተሰናበድና ንሕና ዓቕምና ናብ ምምዕባል ከነድህብ ይግባእ ትብል። “ ሓቂ ይሓይሽ መንግስቲ ሽወደን ንዓናን ደቅናን ተቐቢሉ ከም ስደተኛታት ዝግበኣና ክብርን መሰልን ሂቡና እዩ። ብህዝባዊ ምርጫ መንግስትነት ዝሓዙ ሰልፍታት ነንፖሊሲታቶም ከተግብሩ ዝመሰሎም ነገር ክፍትኑ ይኽእሉ እዮም። እቲ ንሕና ክንገብሮ ዘሎና ግን ለይትን ቀትርን ከይተሓለልና ክንመሃርን ክንሰርሕን እዩ” ትብል። ከሰተ ብርሃነ ዝተባህለ ካልእ ተቐማጢ ሽወደን ብወገኑ፡ እቲ ሓድሽ እማመ ከምዘሰንበዶ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ነዚ 300 ሽሕ ዝቝጽሩ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዝሃቦ ስደተኛ ንኸምህሮን ክናብዮን ገዚፍ ወጻኢታት ስለዘፍሰሰ ንዓይ ሓዊሱ ነብሲ ወከፍ ስደተኛ ምስ ሕብረተሰብ ሽወደን ተጸናቢሩ ዓቕሙን ክእለቱን ንኸዕቢ ንምድፍኡ እንተዘይኰይኑ ክንዮኡ ዝኸይድ ነገራት ክገብር ይደሊ እዩ ዝብል እምነት ከምዘይብሉ ይገልጽ። “እቲ ቀዋሚ መንበሪኹም ናብ ግዝያዊ ክቕየር እየ ተባሂሉ ዘይስንብድን ዘይሻቐለን የሎን። ግን ከኣ መንግስቲ ነቲ ኣብ ልዕለናን ደቅናን ዝገበሮ ወፍሪ ብቐሊሉ ክኸስሮ ዝደሊ ኣይመስለንን። እቲ ጉዳይ ግን ኣበይ ኣለና እንታይ’ከ ክንገብር ይግበኣና ኢልና ክንበራበር ሓጋዚ ይመስለኒ” ይብል። ሽወደን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ካብ ሶርያ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ዒራቕ፡ ኤርትራ፡ ሶማል ካብ ኲናትን ግጭትን ዝሃደሙ ብዙሓት ስደተኛታት ካብ ዘዕቈባ ሃገራት ኤውሮጳ ሓንቲ እያ። እንተዀነ ኣብ ዝሓለፋ ውሑዳት ዓመታት እቶም ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዝሃበቶም ብዙሓት ስደተኛታትን ስድራ ቤታቶምን ዓቢ ናይ  ሽቕለት ብደሆ ከምዝዀኑዋ ብምግላጽ እቶም ስደተኛታት ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ክዋስኡ ብቐጻሊ ክትደፍእን ከተተባብዕን ከምዝጸንሐት ዝገልጽ ፕሮፌሰር ጋይም እቶም ስደተኛታት በቲ ዝተባህለ ከይተሰናበዱ ግን ከኣ ልቦም ከየውደቝ ዓቕሞም ብምምዕባል ተወዳደርቲ ንክዀኑ ክመሃሩ ክጽዕሩ ከምዘለዎም ይመክር።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c1dg8nx92jko"} {"headline":"ዩክረይን ምስ ኣውሮጳ ክትሓብር ትኽእል'ዶ? ግብረመልሲ ሩስያ ኸ እንታይ ይኸውን?","content":"ዩክረይን ናብቲ 27 ኣባላት ዘለዎ ሕብረት ኣውሮጳ ንምእታው ዘድልያ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ሰጊራ፡ ብወግዓዊ ሕጽይቲ ኣባል 'ቲ ሕብረት ኰይና'ላ። መራሕቲ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብቲ ሎሚን ጽባሕን ዝካየድ ዋዕላ፡ ነዚ ስጕምቲ'ዚ ክድግፍዎ ትጽቢት ይግበር። ፕረዚደንት ዩክረይን፡ ሩስያ ሕነ ንኽትፈዲ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ከተሐይል ከም እትኽእል ከኣ የጠንቅቕ። ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝመስረተ፡ ቍጠባውን ፖለቲካውን ሕብረት 27 ሃገራት ኣውሮጳ እዩ። ኣብ መንጐ እዘን ኣባል ሃገራት ኣቕሑን ገንዘብን ብናጻ ይንቀሳቐስ፣ ዜጋታተን ከኣ ኣብ ውሽጢ እተን ሃገራት ክነብሩን ክሰርሑን ይኽእሉ። ካብተን 27 ሃገራት እተን 19 ዝጥቀማሉ ገንዘብ ዩሮ እዩ። ልዕሊ 340 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ዕዳጋኦም ብዩሮ ይፍፅሙ ማለት እዩ። እተን ኣባል ሃገራት ኣብ ከም ውሕስነት ምግብን ሕርሻን ዝኣመሰሉ መዳያት ሓባራዊ መዐቀኒታት ይጥቀማ። ብዘይካ'ዚ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ቁጠባ እተን ዝደኸያ ሃገራት ንምድልዳል ሓገዝ ይገብር። ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሩስያ ንዩክረይን ምስ ወረረት ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ'ዩ፡ ሃገሩ ኣባል ሕብረት ኣውሮጳ ንምዃን ኣመልኪቱ። ንሱ፡ ብኡንብኡ ክሓብር'ኳ እንተሓተተ፡ እቲ መስርሕ ግን ዓመታት ክወስድ ይኽእል'ዩ። ኣባል ሕብረት ኣውሮጳ ምዃን ቍጠባዊ ረብሓታት ኣለዎ። እንተዀነ ቀንዲ ድርኺት ዩክረይን ቍጠባዊ ኣይኰነን። \"ኣባል ሕብረት ኣውሮጳ ምዃን ማለት፡ [ዩክረይን] ከም ኣካል ሩስያ ዘይኮነትስ ከም ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ክትርአ ዝገብራ እዩ\" ይብል ዶ\/ር ዛክ ፐይኪን። ፈለማ፡ ኮሚሽን ኣውሮጳ ሓንቲ ሃገር ብቕዕቲ ሕጽይቲ ምዃና ይግምግም። ጽኑዕን ደሞክራሲያውን መንግስቲ እንተሃልይዋ፡ ንሰብኣዊ መሰላት እተኽብር እንተዀይና ከምኡ'ውን ናጻ ዕዳጋ እንተሃልይዋ ይምርምር። ሓንቲ ሓዳስ ሃገር፡ ሕፅይቲ ቅድሚ ምዃና ኵለን ኣባላት ሕብረት ኣውሮጳ ክሰማምዓ ኣለወን። እታ ሃገር ዕውትቲ እንተዀይና ንዅሉ ሕግታትን ስርዓታትን ሕብረት ኣውሮጳ ክትቅበል የድልይ። እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ዓመታት እዩ ዝወስድ ከይዲ እዩ። ኣብ መወዳእታ እታ ሃገር ነቲ ዅለን ኣባላት ዘፅድቓኦ ውዕል ትፍርም። ኣብ ቀረባ ግዜ ኣባል ዝዀና ከም እኒ ቡልጋርያ፡ ሩማንያን ክሮኤሽያን እቲ መስርሕ ካብ 10 ክሳዕ 12 ዓመት ወሲዱለን እዩ። ኣልባንያ፡ ሰሜን መቄዶንያ፡ ሞንተኔግሮን ሰርብያን ወግዓዊ ሕጹያት ካብ ዝዀና ዓመታት እንተሓለፈ’ውን ክሳብ ሎሚ ኣባላት ኣይኮናን። ቱርኪ፡ ብ1999 እያ ተሓጽያ። ይዅን እምበር ጻብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ቱርኪ ስለዘተሓሳስብ፡ እቲ መስርሕ ደው ኢሉ ኣሎ። ጐረቤት ዩክረይን ዝዀነት ሞልዶቫን ዩክረይንን ኣብ ሓደ መዓልቲ እየን ሕጹያት ኮይነን። ጆርጅያ እውን ክትሕፀ ኣመልኪታ ነይራ። እንተዀነ ተወሳኺ ምምሕያሻት ክትገብር ከም ዘለዋ ተነጊርዋ። ዩክረይን ምስ ሕብረት ኣውሮጳ ብኸመይ ትተኣሳሰር? ዩክረይን ካብ 2017 ኣትሒዛ ታሪፍ ከይከፈለት ምስ ኣባላት ሕብረት ኣውሮጳ ክትነግድ ክኢላ እያ። ዩክረይን ኣባልነት ንምርካብ ካብ ተመልክት ጀሚሩ ንመብዛሕትኡ ሕግታታን ስርዓታታን ብመሰረት ስርዓታት ሕብረት ኣውሮጳ ክተመሓይሽ ፀኒሓ እያ። ዩክረይን ጽቡቕ ስራሕ ከም ዝሰርሐት ዝገለጸ ፕረዚደንት ኮሚሽን ኣውሮጳ ኡርሱላ ቮን ደር፡ ተወሳኺ \"ኣገዳሲ ምምሕያሻት\" ክትገብር  ከምዘለዋ ይገልጽ። ንኣብነት ሕጊ ክተደላድል፡ ሰብኣዊ መሰላት ክተመሓይሽ፡ ስልጣን ልዑላንን ሃብታማትንን ክትንኪ ከምኡውን ንብልሽውና ክትቃለስ የድልያ። \"ዩክረይን ምሉእ ብምሉእ ናይ ዕዳጋ ቝጠባ ክትፈጥር'ውን የድልያ፤ እዚ ግን ንሓንቲ ሃገር 'ድሕረ-ሶቭየት ሪፓብሊክ' ዘጸግም እዩ፡\" ይብል ዶ\/ር ዛክ ፐይኪን። ካልእ ብድሆ ኸኣ ነቲ ብሰፊሑ ዝተነቕፈ ስርዓተ ቤት ፍርዲ ዩክረይን ምጽራይ እዩ። ቅድሚ 15 ዓመት ኣባል ዝኾነት ሩማንያ ሃገራዊ ኣታዊኣ ብሰለስተ ዕጽፊ፣ ናይ ቡልጋርያ ድማ ብዕፅፊ ወሲኹ። ሕብረት ኣውሮጳ ሓገዝ መዋቕርን ወፍሪን ኣውሮጳ ብዝብል መደብ ንኽልቲአን ሃገራት ብዓሰርተታት ቢልዮናት ዩሮ ሂቡ እዩ። እዚ ንኣብነት ሓደስቲ መገድታትን ወደባትን ብምስራሕ ንቝጠባዊ ምዕባለ ይድግፍ እዩ። ካብ 2014 ክሳዕ 2020 ቡልጋርያ 11.2 ቢልዮን ዩሮ፣ ሩማንያ ኸኣ 35 ቢልዮን ዩሮ ተቐቢለን እየን። ይዅን እምበር ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል መብዛሕትኡ እዚ ገንዘብ'ዚ ብሰንኪ ብልሽውና ከም ዝጠፍአ ይማጐት። ደሞዝ፡ ጥዕናን ትምህርትን እተን ኣባል ሃገራት ክርአ እንከሎ ቡልጋርያ ዝተሓተት እያ። ብመንጽር ድኽነት ሩማንያ ካብ ካልኣቲ ናብ ሻድሸይቲ ኣመሓይሻ ኣላ። ብመሰረት ጸብጻብ ባንክ ዓለም፡ ኣስታት 1.5 ሚልዮን ቡልጋርያውያንን 4 ሚልዮን፡ ሩማንያውያንን ነቲ ሕብረት ኣውሮጳ ዘውጽኦ \"ናጽነት ምንቅስቓስ \" ዝብል ፖሊሲ፡ ናብ ካልኦት ሃገራት ንምኻድ ተጠቒሞምሉ እዮም። ነቐፍቲ እዚ \"ብረይን ድረይን\" [ንጽፈተ ኣእምሮ] እዚ ንመጻኢ ናይ ክልቲአን ሃገራት ተስፋ ከበላሹ ይኽእል እዩ ዝብል ፍርሂ ኣለዎም። ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ነቲ ዩክረይን ኣባል ወተሃደራዊ ኪዳን ኔቶ ንምዃን ንነዊሕ እዋን ዘለዋ ባህጊ'ኳ እንተ ነቐፎ፡ ዩክረይን ኣባል ሕብረት ኣውሮጳ ክትከውን ብዙሕ ጸገም ከምዘይብሉ ተዛረቡ እዩ። ይዅን እምበር ኣፈኛኡ ዲሚትሪ ፐስኮፍ፡ ሕብረት ሶቭየት ናይ ገዛእ ርእሳ ሓይሊ ምክልኻል ክትምስርት ትሓስብ ስለ ዘላ ክረምሊን ነቲ ጉዳይ \"ዝያዳ ኣቓልቦ\" ከም ዝገብረሉ ገሊጹ። \"ወተሃደራዊ ምክልኻልን ጸጥታን ተዋጽኦታት ንመያየጠሎም ኣለና። ንዅሉ ብዕቱብ ንዕዘብ ኣለና።\" ፕረዚደንት ዩክረይን ዘለንስኪ፡ ሩስያ ነቲ ስጕምቲ ሕነ ክትፈዲ ከም እትኽእል ኣጠንቂቑ ኣሎ። \"ካብ ሩስያ ዝዓበየ ተግባራት ቅርሕንቲት ክንፅበ ከም ዘለና ብሩህ እዩ\" ይብል። “ኣንጻር ዩክረይን ጥራይ ዘይኰነስ ኣንጻር ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ'ውን እዩ።\"","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cn0rdv1ypzvo"} {"headline":"‘ሩስያ ንእኽሊ ከም ሰላሕታዊ ሚሳይል ትጥቀመሉ ኣላ’ - ሕብረት ኣውሮጳ","content":"ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ብሰንኪ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ዓለምለኻዊ ቅልውላው መግቢ ተኸሲቱ ክብል ምዝራቡ ስዒቡ፡ ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣቋሪጹ ወጺኡ። ቻርለስ ሚሸል፡ ሩስያ ንቐረብ መግቢ ኣንጻር ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ከም “ሰላሕታዊ ሚሳይል” ብምጥቃም ህዝብታት ንድኽነት ክቃልዑ ትገብር ኣላ ኢሉ። ልኡኽ ሩስያ ኣብቲ ባይቶ ቫዚሊ ነበርዝያ ግን ስኑዕ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ከሲስዎ። እቲ ኲናት፡ ካብ ዩክረይን ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ክጓዓዓዝ ዝነበሮ እኽሊ ኣብ ወደባት ደው ክብል ምኽንያት ኰይኑ እዩ። ዩክረይን ዘይቲ ብልዒ፡ ዕፋንን ስርናይን ብብዝሒ ሰደድ ትገብር፤ ሩስያ እውን እኽልን ድዅዕን ብብዝሒ ተፍሪ። “ኣምባሳደር ሩስያ፡ ሓቂ ንዛረብ፤ ክረምሊን ቀረብ መግቢ ኣንጻር ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ከም ሰላሕታዊ ሚሳይል ትጥቀመሉ ኣላ፡” ክብል እዩ ቻርለስ ሚሸል ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝተኻየደ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ተዛሪቡ። ወሲኹ፡ “ዘሕዝን ሳዕቤን ናይቲ ሩስያ ዝጀመረቶ ኲናት ናብ መላእ ዓለም ይባጻሕ ኣሎ። ዋጋ መግቢ ክውስኽ ብምግባር ህዝብታት ናብ ድኽነት ክኣትዉን ዞባታት ክሕመሱን ይገብር ኣሎ። በዚ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው መግቢ ሩስያ በይና እያ ተሓታቲት፡” ኢሉ። ብተወሳኺ ኣብ ዩክሬናዊት ወደብ ኦዴሳ፡ ብሚልዮን ቶናት ዝቝጸር እኽሊ ብሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ተዓጊቱ ብዓይኑ ከም ዝረኣየ ገሊጹ። ሩስያ፡ እኽሊ ዘሚታን፣ ብሰንኪ እቲ ዝወለዓቶ ኲናት እኽሊ ከይዝራእን ከይእከብን ዓንቂፋ፡ ክብል እውን ፕረዚደንት ካውንስል ሕብረት ኣውሮጳ ቻርለስ ሚሸል ከሲሱ። በዚ ርእይቶ ዝሓረቐ ልኡኽ ሩስያ ብግዲኡ ነቲ ኣኼባ ኣቋሪጹ ወጺኡ። እቲ ሩስያዊ ዲፕሎማት ካብቲ ኣዳራሽ እናወጽአ'ውን ቻርለስ ሚሸል፡ “ካብዚ ኣዳራሽ ክትወጽእ ትኽእል ኢኻ፤ ምናልባት ነቲ ሓቂ ዘይምስማዕ ይቐልል ይኸውን፡” ክብል ብዘረባ ስዒብዎ። ናበንዝያ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ \"ብሰንኪ 'ቲ ቻርለስ ዘጋውሖ ሓሶት” ኣብቲ ኣዳራሽ ኣኼባ ክጸንሕ ኣይከኣልኩን ኢሉ። ኣብ ካልእ ኣኼባ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብተመሳሳሊ፡ ሩስያ እኽሊ ካብ ዩክረይን ሰደድ ከይግበር ክልኪላን ትሕተ ቕርጺ ሕርሻ እታ ሃገር ኣዕንያን ክብል ከሲሱ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cx0d0z2jpzgo"} {"headline":"ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ከፊታቶ ዝተበሃለ መጥቃዕቲ ኮኒኑ","content":"ሕብረት ኣውሮጳ፡ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ኣትዩ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ዝብል ጸብጻብ ድሕሪ ምውጽኡ፡ እቲ ስጕምቲ ነቲ ኲናት ዝያዳ ከጋድዶ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ። ላዕለዋይ ወኪል ጉዳያት ወጻእን ፖሊሲ ጸጥታን ሕብረት ኣውሮጳን ምክትል ፕረዚደንት ኮሚሽን ኣውሮጳን ጆሴፍ ቦረል \"ኵሎም ወገናት ንዝዀነ ይዅን ወተሃደራዊ ፍታሕ ንጐድኒ ገዲፎም ናብ ጻዕርታት ሰላም ክምለሱ ሕብረት ኣውሮጳ ደጊሙ ጻውዒቱ የቕርብ\" ኢሉ። ሓይልታት ትግራይ ኣብ ቀረባ እዋን ብወተሃደራት ኤርትራ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዝተኸፈቶምን ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳወቡ ከባቢታት ከቢድ ውግእ ከምዝተኻየደን ሓቢሮም ነይሮም። ሰራዊት ኤርትራ ካብ ተከዘ ክሳብ ኢሮብ ኣብ ኵሉ ግንባራት ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈተ ዝሓበረ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ምክልኻል ኢትዮጵያን ሓይልታት ኣምሓራን እውን ኢድ ከምዘለዎም ምኽሳሱ ይዝከር። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ነዚ ብዝምልከት ዛጊት ብወግዒ ዝበሎ ነገር የለን። ኣፈኛታት ሕብረት ኣውሮጳ “ብዛዕባ እዋናዊ ምዕባለታት ኢትዮጵያ\" ኣመልኪቶም ብረቡዕ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ኤርትራ “ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምምጻእ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪታት ተታዓናቕፍ ኣላ\" ክብል ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ኣብ ቤልጂየም ብራስለስ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ግብረ መልሲ ሂቡ። በዚ መሰረት፡ “ጭቡጥ መሰረት ዘይብሉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብፍላጥን ብሕቡእ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ንመሰረታዊ መንቀልታትን ኩነታትን ኲናት ኢትዮጵያ ዕሽሽ ዝብል እዩ” ክብል ነቲ ክሲ ነጺግዎ’ሎ። ህወሓት ኣብ መሪሕነት ኢትዮጵያ ዓብላሊ ኰይኑ ኣብ ዝጸንሐሉ እዋን፡ ፖሊሲታቱ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተጓናጺ ወተሃደራዊ ስጕምትታት ዘጠቓለለ ምንባሩ እቲ ብኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ብራስለስ ዝተዘርግሐ መግለጺ የመልክት። ብ24 ነሓሰ 2022 ዝተወለዐ ዳግማይ ኲናት “ብህወሓት ዝተጀመረ ሳልሳይ ዙር መጥቃዕቲ” ከምዝዀነ ዘመልከተ እቲ መግለጺ፡ ገለ ሓይልታት ገበነኛነት ህወሓት ኣቃሊሎም፡ ከም “ግዳይ” ገይሮም የቕርብዎ ከምዘለዉ ሓቢሩ። እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ \"ሃመር ንወተሃደራዊ ድልየታት ሓይልታት ትግራይ ጋህዲ ብዘይምግባሩ\" ከሲስዎ ኣሎ። ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብምጉህሃር ንኤርትራ ይኸስዋ። ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሃገሩ ኣብ ትግራይ \"ፍሉይ ድልየት የብላን\" ዝበለ ኰይኑ፡ ንህወሓት ግን \"ኣንጻር ኤርትራ ሱር ዝሰደደ ተጻባኢ ኣጀንዳ ኣለዎ\" ክብል ከሲስዎ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ሓድሕድ ከብቅዕ ዝጽዕር ዘሎ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር፡ ወተሃደራት ኤርትራ ዶብ ሰጊሮም ናብ ትግራይ ከምዝኣተዉ ኣሜሪካ ከምትፈልጥ ምግላጹ ይዝከር። ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር፡ ሓይልታት ትግራይ “ኲናት ተዳልዮም” ነይሮም ክብል ኣብቲ ዞባ ዘካየዶ ዑደት ድሕሪ ምዝዛሙ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣፍሊጡ’ዩ። ንሱን ሓንቲ ጉጅለ ልኡኻት ምዕራባውያንን ናብ መቐለ ኣብ ዝገበርዎ ዑደት፡ መንግስቲ ፌደራል ናብቲ ክልል ማሕበረ-ቍጠባዊ ኣገልግሎታት ክመልስ እንተዘይክኢሉ፡ ንተጻብኦታት ይዳለዉ ምህላዎም ከምዝነገርዎ እዩ ጠቒሱ። መራሕቲ ትግራይ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺታት፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታቶም ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዝተኸፍተ ብምግላጽ፡ መንእሰያት ትግራይ ክኸቱ ጸዊዖም ነይሮም። እቲ ኲናት ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ድሕሪ ምውልዑ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ትግራይ ናብቲ ኲናት ምጽንባሮም ይፍለጥ። ዳግማይ ውግእ ብ24 ነሓሰ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ዝነበሩ ሰሙናት ሓይልታት ትግራይ ንተጻብኦታት ምድላዋት ይገብሩ ከምዝነበሩ ማይክ ሃመር ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ’ሎ። እቲ ልኡኽ ወሲኹ፡ ኣብ መንጎ መንግስትን ህወሓትን ምትእምማን ዘይምህላው ከምኡ’ውን ምትእትታው ናይ ወጻኢ ሓይልታት ብፍላይ ሰራዊት ኤርትራ ነቲ ግጭት መዕለቢ ንምርካብ ኣጸጋሚ ከምዝገበሮ ተዛሪቡ። እቲ ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይምትእጉጓል ንምብጻሕ ብዝብል ኣብ መንጐ ተዋጋእቲ ወገናት ዝተበጽሐ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ምስተጣሕሰ ኣብ ዝተፈላለየ ግንባራት ውግእ ይካየድ ከምዘሎ ይግለጽ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c84y5dyxd1vo"} {"headline":"ኣርባዕተ ሃገራት ኤውሮጳ ብስለላ ዝጠርጠራኦም ልዕሊ 40 ዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ሰጒገን","content":"ትማሊ ሰሉስ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ፡ ኣየርላንድ፡ ቤልጅም፡ ኔዘርላንድስን ቼክ ሪፐብሊክን 43 ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ሩስያ ካብ ሃገረን ክወጽኡ ኣዚዘን። እዚ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፖላንድን ካልኦት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ዝወሰዳኦ ስጕምቲ እዩ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቤልጅም ሶፊ ዊልሜስ፡ እቲ ምስጓግ፡ \"ምስ ድሕነት ሃገርና ዝተሓሓዝ'ዩ፡\" ክትብል ንኣባላት ባይቶ ሃገራ ተዛሪባ። ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝርከብ ኤምባስን ኣብ ኣንትዋርፕ ኣብ ዝርከብ ቆንስልን ሩስያ ዝሰርሑ 23 ኣባላት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ካብታ ሃገር ክወጽኡ ከም ዝተነግሮም ሓቢራ። እቲ ስጉምቲ ምስ ጐረቤት ሃገር ኔዘርላንድስ ብምውህሃድ ዝተወስደ ምዃኑ ከኣ ገሊጻ። ሰብ መዚ ስለያ ኔዘርላንድ፡ \"ብሕቡእ ዝሰርሑ\" ዝበሉዎም 17 ዲፕሎማሰኛታት ሩስያ፡ ካብ ሃገራ ከም እተውጽእ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ'ታ ሃገር ገሊጹ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣየርላንድ ሚካኤል ማርቲን ብወገኑ፡ ንኣባላት ባይቶ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ካብ ሰብ መዚ ስለያ ብመሰረት ዝተዋህቦ ሓበሬታ፡ ኣርባዕተ ዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ከም ዝሰጎገ ኣፍሊጡ። \"ምንቅስቓሶም ምስ ዓለምለኻዊ መዐቀኒ ዲፕሎማሲያዊ ኣካይዳ ዘይቃዶ ስለ ዝኾነ\" ንኽወጽኡ መምርሒ ተዋሂቡዎም ኣሎ፡ ኢሉ። ሰብ መዚ ቼክ ብተመሳሳሊ፡ ምኽትል ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ፕራግ ከም ዝተሰጎገ ንኤኤፍፒ ሓቢሮም። \"ምስ መሓዙትና ብምዃን፡ ህላወ ስለያ ሩስያ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ነጕድሎ ኣለና\" ክብል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። ፖላንድ ብረቡዕ፡ ብስለላ ጠርጢረዮም ንዝበለቶም 45 ዲፕሎማት ካብ ሃገራ ክወጽኡ ገይራ እያ። ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ፡ ቡልጋሪያ፡ ሊትወንያ፡ ላቲቪያን ኢስቶኒያን፡ \"ንውሁብ ዲፕሎማሲያዊ ኩነታቶም\" ኣብ ዝጻባእ ምንቅስቓስ ረኺብናዮም ንዝበላኦም 20 ሰራሕተኛታት ኤምባሲያ ሩስያ ከም ዘባረራ ይዝከር። ሩስያ ንከምዚኦም ዝበሉ ስጉምታት ተመሳሳሊ ግብረመልሲ ናይ ምሃብ ዝንባለ ዘለዋ ኮይኑ፡ ሎሚ 10 ዲፕሎማሰኛታት ኢስቶኒያ፡ ላቲቪያን ሊትወንያን ካብ ሃገራ ከም ዝወጽኡ ሓቢራ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60923838"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እገዳ ክግበር ሓቲቱ","content":"ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ ምቁራጽ ተጻብኦ 'ክባ'ዩ'፤ ከምኡ'ውን መንግስቲ ኮነ ኢሉ ኣብ ትግራይ ጥምየት ይፈጥር ኣሎ ዝብል ሕብረት ኤውሮጳ ንዘውጽኦ መግለጺ ከም ዝነጸገቶ ይዝከር። ሓላፊ ጉዳይ ድሕነትን ርክባት ወጻእን ሕብረት ኤውሮጳ ጆሴፍ ቦሬል፡ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ብምኽንያት ቅልውላው ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እገዳ ክገብራ ሓቲቱ። \"ኩነታት ኢትዮጵያ ኣብ ኢድና ዘለው ኣማራጺታት ኣብ ግምት ምእታው ይደሊ'ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ኣነ ክሳበ ዝተረድኣኒ ድማ ኣማራጺታት ስጉምቲ እገዳ ኣብ ጠረጴዛ ክቕመጡ ኣለዎም\" ኢሉ። ጆሴፍ ቦሬል ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ እዩ ነዚ ርኢይቶ ሂቡ። ብምኽንያት እቲ ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሰብኣዊ ረድኤት ምብጻሕ ብተደጋጋሚ ከም ዝተኣጓጎለን ኣማኢት ኣሽሓት ነበርቲ እቲ ክልል ንዓጸቦ ከም ዝተቓልዑን ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ። ሓላፊ ጉዳይ ድሕነትን ርክባት ወጻእን ሕብረት ኤውሮጳ ጆሴፍ ቦሬል ሕብረት ኤውሮጳ መንግስቲ ኢትዮጵኣ ዝኣወጆ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣብ መሬት ተግባራዊ ክገብሮ ድልየት ኣለዎ ኢሉ። ይኹን'ምበር ትግራይ ካብቲ ዝተረፈ ክፋል ዓለም ብርክብ ከም ዝተቖርጸት ተዛሪቡ። ቅድሚ ክልተ ሰሙን ሓይልታት ትግራይ ንርእሰ ከተማ እቲ ክልል መቐለ ሓዊሱ ብርክት ዝበላ ዓበይቲ ከተማታት ከም ዝተቖጻጸሩ ይፍለጥ። ማእኸላይ መንግስቲ ድማ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክን ቴሌኮምዩኒኬሽንን ሓዊሱ እቲ ክልል ክረኽቦ ዝግባእ መሰረታዊ ኣገልግሎት ዓጽዩ'ዩ ዝብል ነቐፌታ ይበጽሖ ኣሎ። ቦሬል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን \"ምቁራጽ ተጻብኦ ማለት መብራህቲ እቲ ክልል ምቑራጽን ኣገደስቲ ትሕተ ቕርጺ ምዕናውን ማለት ኣይኮነን\" ኢሉ ነይሩ። እሙን ምቁራጽ ተጻብኦ ማለት ህጹጽ ረድኤት ዝደልዩ ህጻናት፣ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ሓገዝ ክበጽሖም ምስላጥ'ዩ ብምባል፡ ኩሎም ሓይልታት ህይወት ህዝቢ እቲ ክልል ምድሓን ቀዳምነት ክህቡዎ ዝግባእ ተግባር ምዃኑ ተማሕጺኑ። ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ ምቁራጽ ተጻብኦ 'ክባ'ዩ' ከምኡ'ውን መንግስቲ ኮነ ኢሉ ኣብ ትግራይ ጥምየት ይፈጥር ኣሎ ዝብል ሕብረት ኤውሮጳ ሰሙንንዘውጽኦ መግለጺ ከም ዝነጸገቶ ይዝከር። ኮሚሽነር ጉዳያት ቅልውላው እቲ ሕብረት ጃኔዝ ሌናርቺክ ንባይቶ እቲ ሕብረት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኢትዮጵያ ዝኣወጀቶ \"ተኹሲ ደው ምባል ዘይኮነ ክባ'ዩ፤ ጥምየት'ውን ከም መሳርሒ ኲናት ይውዕል ኣሎ\" ኢሉ ነይሩ። ኣብ ብራስለስ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ነዚ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ዘረባ እቲ ኮሚሽነር ኣዝዩ ከም ዘሕዘኖ ብምግላጽ ነቲ ክሲ ነጺጉዎ። እቲ ኮሚሽነር \"መንግስቲ ኢትዮጵያ ትሕተ ቕርጺ ብምፍራስ፣ መውጽእን መእተውን ብምዕጻው ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ትጥቀም ኣላ ምባሉ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ዘየገናዘበን ማይ ዘይዓቁርን ክሲ'ዩ\" ብምባል ከም ዝነጸጎ ይዝከር። እቲ ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ምኽንያት ምዝንባል ክልተ ሚሊየን ሰባት ከም ዝኾነን 400 ሽሕ ሰባት ንዓጸቦ ከም ዘቃልዐን ጸብጻባት ይገልጹ። ኣብዚ ሰሙን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ናብ ትግራይ ዝልኣኸን ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጽዓና መካይን ናብ መቐለ ከም ዝኣተዋ ተገሊጹ። እዚ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ንፈለማ እዋን ዝበጽሐ ሰብኣዊ ሓገዝ ብ50 ናይ ጽዕነት መካይን ዝተጉዓዓዘ'ዩ ተባሂሉ ኣሎ። እቲ ኣብ መቐለ ዝበጽሐ ሰብኣዊ ሓገዝ 900 ሜትሪክ ቶን መግብን ካልኦት መሰረታዊ ናውታትን ዝሓዘ'ኳ እንተኾነ ብመንጽር ኣብቲ ክልል ዘሎ ጸገም እዚ ቑጽሪ ብዕጽፊ ክዓቢ ከም ዘለዎ ተገሊጹ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚሊየን ህዝቢ ህጹጽ ሓገዝ ኣብ ዘድልዮ ክልል፡ ሰሙናዊ 10 ሽሕ ሜትሪክ ቶን መግብን 150 ሽሕ ሊትሮ ነዳድን ክበጽሕ ኣለዎ ኢሉ። እቶም ናብ ትግራይ ዝወስዱ ክልተ ኣውራ መገዲታት ዝተዓጸው ኮይኖም፡ ክልተ ድልድላት ድማ ካብ ጥቕሚ ወጻእ ከም ዝኾኑ ሮይተርስ ጸብጺቡ። ሓይልታት ትግራይ ንከተማ መቐለ ድሕሪ ምቁጽጻሮም ኣብቲ ክልል ኣገልግሎት መብራህትን ቴለኮምዩኒኬሽንን ከምኡ'ውን ባንኪ ተቛሪጹ ይርከብ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57826243"} {"headline":"ኲናት ዩክረይን: ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ንሩስያ ደገፉ ዝገለጸ ወዲ ፕረዚደንት ዩጋንዳ ነቒፉ","content":"ዲፕሎማሰኛታት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ወዱ ንፕረዚደንት ዩጋንዳ ዮወሪ ሙሰቨኒ ዝኾነ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ሓላፊ ንወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ምድጋፉ ኮኒኖም። ኣዛዚ ሓይልታት ምድሪ ዩጋንዳ ሌተናል ጀነራል ሙሁዚ ካይነሩጋባ፡ ብሰሉስ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ካብ ጸዓዱ ወጻኢ ዘሎ ዝበዝሐ ሰብ ንሩስያ ይድግፍ'ዩ ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። \"ፑቲን ምሉእ ብምሉእ ቅኑዕ'ዩ ዘሎ\" ድማ ኢሉ ነይሩ። ምክትል ሓላፊ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ መግለጺ ናይቲ ጀነራል \"ዘይቅቡል'ዩ\" ክብል ተቓውሞኡ ገሊጹ። ዩጋንዳ ብወግዒ ንሩስያ ዘለዋ ደገፍ እንተገሊጻ፡ ብንጹር ዘይጠቐሶ ሳዕቤን ክገጥማ ምዃኑ እቲ ኣውሮጳዊ ዲፕሎማት ዲዮንዝ ሆቸል ኣሚቱ። \"ነዚ መግለጺ ንኹንኖ። [እቲ ኩነታት] ተኣፋፊ ምዃኑ ክርድእዎ ንጽበ። ሃገራት ናይዚ ዞባ ምስ ሕብረት ኣውሮጳን መሻርኽቲ ሃገራትን ብምውጋን፡ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዝኸፈተቶ መጥቃዕቲ ንዝኹንን እማመ ሕቡራት ክድግፋ ትጽቢት ንገብር\" ድማ ኢሉ። ጀነራል ሙሁዚ፡ ኣብቲ ኣብ ትዊተር ዝጸሓፎ ርእይቶ፡ \"ኣብ 1962 ሶቭየት ሕብረት ኣብ ኵባ ኑክሌር ዝለጎሙ ሚሳይላት ምስ ኣጻወደት ምዕራባውያን ብሰንኩ ንዓለም ከባርዕዋ ተቐሪቦም ነይሮም። ሕጂ ድማ ኔቶ [ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ] ተመሳሳሊ ነገር ምስ ገበረ ሩስያ ካልእ ክትገብር ይጽበዩዋ\" ብምባል ደገፉ ንሩስያ ኣነጺሩ። ኣብ ሞስኮ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ሓደ ካብ ላዕለዎት ወተሃደራውያን መራሕቲ ሱዳን ዝኾነ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጎሎ (ሒመቲ) ብወገኑ፡ ንወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ደገፉ ዝገለጸ ካልኣይ ኣፍሪቃዊ ወተሃደራዊ መራሒ ምዃኑ ይግለጽ። እንተኾነ ግን፡ እታ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ጸቕጢ ዘጋጥማ ዘሎ ሱዳን እቲ ኲናት ብዲፕሎማስያዊ ኣገባብ ክፍታሕ ከም እትድግፍ ገሊጻ'ላ። ዞባዊ ውድብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ኢኮዋስ፡ ነቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝወሰደቶ ስጉምቲ ኮኒኑ'ሎ። ደቡብ ኣፍሪቃ ብወገና፡ ሰራዊት ሩስያ ካብ ዩክረይን ክወጽእ ጸዊዓ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60590443"} {"headline":"ጀርመን፡ ኦላፍ ስኮልዝ ነታ ካብ ስልጣና ዝወረደት መርከል ብምትካእ ሓድሽ ቻንስለር ኮይኑ ተመዚዙ","content":"ኦላፍ ስኮልዝ ሓድሽ መራሒ (ቻንስለር) ጀርመን ብምዃን ሎሚ ኣብ ከተማ በርሊን ቃለ-ማሕላ ፈጺሙ። እቲ ሓድሽ መራሒ፡ ነታ ን16 ዓመታት ንጀርመን ዝመርሐት ኣንገላ መርከል ብምትካእ'ዩ ስልጣን ተረኪቡ ዘሎ። ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ማሕበርነታዊ-ደሞክራሲ (ሶሻል-ደሞክራትስ) ምስ ሓምላይ ሰልፍን፡ ደጋፊ ብሕታዊ ንግዲ ዝኾነ ናጻ ደሞክራስያውያን (ፍሪ ደሞክራትስ) ብሓባር ብምዃን'ዮም ልፍንታዊ መንግስቲ መስሪቶም ዘለዉ። እቲ ሎሚ ዝተኻየደ ምስግጋር ስልጣን፡ ምብቃዕ ናይቲ ን31 ዓመት ዝቐጸለ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ፍልጥቲ ኣውሮጳዊት መራሒት ኣንገላ መርከል ዘመልክት ኮይኑ'ሎ። ሓድሽ ቻንስለር ስኮልዝ፡ ኣብቲ ብመርከል ክምራሕ ዝጸንሐ መንግስቲ፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ኮይኑ ከገልግል ምጽንሑ ይፍለጥ። ሚኒስተር ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ምስ ምምሕዳር ገንዘብ ብዝተሓሓዝ ክንቀፍ ጸኒሑ'ዩ። እቲ ጸጋማዊ ፖለቲካዊ መበቆል ዘለዎን፡ ልኡም ምዃኑ ዝንገረሉን ሓድሽ ቻንስለር፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ዝተኻየደ ፓርላመንታዊ ምርጫ እቲ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ክዕወት ምብቅዑ ናእዳ ረኺቡ'ዩ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ዝረኸቦ ድምጺ ንበይኑ መንግስቲ ክምስርት ዘኽእሎ ስለዘይነበረ፡ ደገፍ ካልኦት ሰልፍታት ክደሊ ግድነት'ዩ ነይሩ። ሓድሽ ፓርላማ ጀርመን (ባንደስታግ) ኣብ ዝገበሮ መራሒ ናይ ምምራጽ መስርሕ ከኣ 395 ድምጺ ብምርካብ ቻንስለር ክኸውን በቒዑ። ድሕሪ'ቲ ምርጫ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር፡ ባርበል ባስ፡ ሓድሽ መንግስቲ ከቕውም ብዘቕረበሉ ወግዓዊ ሕቶ መሰረት ስልጣን ተረኪቡ'ሎ። ኦላፍ ስኮልዝ ኣቐዲሙ ከንቲማ ከተማ ሃምበር ምንባሩ'ውን ድሕረ-ባይትኡ ይምስክር። ገለ ካብቶም ነዚ ሓድሽ መንግስቲ ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሮም ዘለዉ ብድሆታት፡ ምግታእ ክሊማዊ ለውጢን ንራብዓይ ማዕበል ንጀርመን ዘጥቅዐ ዓለማዊ ለበዳ ኮቪድ-19ን ይርከብዎም። ዋላ'ኳ ኣባል ካልእ ሰልፊ እተንኾነ፡ ኣብቲ ብመርከል ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ዝጸንሐ ብምዃኑ፡ ካልኣይ መርከል ተባሂሉ ክጽዋዕ ጀሚሩ'ሎ። ቀዳማይ ናይ ወጻኢ ዑደቱ ድማ ናብ ፈረንሳን ናብታ መዲና ሕብረት ኣውሮጳ ዝኾነት ብራስለስን ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ። እታ ፈላማ ኣብ 1990 ኣባል ባይቶ ክትከውን ዝበቕዐት ኣንገላ ማርከል፡ ኣብቲ ብቻንስለር ሄልመት ኮል ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ብኡንቡኡ'ያ ሚኒስተር ኮይና ተመዚዛ። ንዕኡ ካብ ስልጣን ኣብ ምስንባት ድሕሪ ምብርካታ ኸኣ ኣብ 2000 መራሒት ሰልፊ ክርስትያናዊ ደሞክራሲ ኮይና። ፈለማ ኣብ ሕዳር 2005 ድማ ቻንስለር ጀርመን ኮይና ተመሪጻ። ድሕሪ 16 ዓመታት ከኣ ብወለንትኣ ኣብቲ ዝሓለፈ ምርጫ ከምዘይትወዳደር ብምሕባር፡ ስልጣና ኣረኪባ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59581557"} {"headline":"ኣብ መረጻ ሃንጋሪ ዝተዓወተ ቀዳማይ ሚኒስትር ኦርባን ንፕረዚደንት ዩክረይን ነቒፉ","content":"ቀዳማይ ሚኒስትር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን ኣብ ሃገራዊ መረጻ እታ ሃገር ንራብዓይ ግዜ ብዓብላሊ ድምጺ ተዓዊቱ። ኣፈናዊ ውጽኢት እቲ መረጻ፡ የማናዊ ክንፊ ሰልፊ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር 53.1% ድምጺ ናይቲ ዛጊት ተቖጺሩ ዘሎ (98%) ከም ዝተዓወተ የመልክት። እቲ ብፒተር ማርኪ-ዛይ ዝምራሕ ልፍንቲ ተቓውሞ ድማ 35% ድምጺ ምርካቡ ይግለጽ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኦርባን ንዝረኸቦ ዓወት ኣመልኪቱ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ንሰብ መዚ ብራስለስን ፕሬዝደንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዘሌንስኪን \"ተቓወምቲ\" ክብል ነቒፉ። \"እዚ ዓብዪ ዓወት'ዩ። ኣብ ወርሒ ኮይኖም ክርእዩዎ ይኽእሉ'ዮም። ብርግጸኝነት ካብ ብራስለስ\" ክብል ተዛሪቡ። ሃንጋሪ ምስ ዩክሬን እትዋሰን ኮይና ክሳብ ሕጂ ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ስደተኛታት ተቐቢላ ኣላ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ንስደተኛታት ሓገዝ ከም ዝገብር ብምግላጽ ሃንጋሪ ኣብ ኲናት ዩክሬን ንዘይምሕዋስ ናብ ዩክሬን ኣጽዋር ከም ዘየቕርብ ብተደጋጋሚ ይዛረብ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኦርባን ካብ 2010 ጀሚሩ'ዩ ነታ ሃገር ክመርሓ ጸኒሑ። ብመሰረት እቲ ኣፈናዊ ውጽኢት፡ እቲ ኣብ መረጻ ዝተዓወተ ሰልፊ ኣብ ባይቶ 135 መናብር ክህልውዎ እንከለው፡ እቲ ተቓዋሚ ሰልፊ ድማ 56 ከም ዝረክብ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ መረጻ ይገልጽ። ወዲ 58 ዓመት ኦርባን ብሰንኪ ሰልፊ ፊደዝ ዴሞክራሲያዊ ትካላት ሃንጋሪ ኣዳኺሙ'ዩ ዝብል ነቐፌታ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ: ምስቲ ሕብረት ሓርፋፍ ርክብ ጸኒሑዎ'ዩ። ኣብቶም ኣብ ስልጣን ዝጸንሓሎም 12 ዓመታት ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ዳግም ጽሒፉ፣ ላዕለዎት ኣብያተ ፍርዲ ብሽሞኛታት መሊኡን ስርዓት መረጻ እታ ሃገር ንርእሱ ብዝጥዕሞ ክቕየር ገይሩን'ዩ። ሕጹይ ተወዳዳሪ ሰልፊ ተቓውሞ ዝኾነ ፒተር ማርኪ-ዛይ ሃገሩ ኣብ ሸነኽ እተን ናብ ዩክሬን ኣጽዋር ዘቕርባ ዘለዋ ሃገራት ፖላንድ፣ ብሪጣኒያን ካልኦትን ክትጽንበር ኣለዋ ይብል ነይሩ። እቲ ተቓዋሚ ሰልፊ፡ ገዛኢ ሰልፊ እታ ሃገር ፊደዝ: ሃንጋሪ ካብ ቐጠና ኤውሮጳ ከምኡ'ውን ካብ ፍትሓውነትን ደሞክራስን ክትንጸል ገይሩ'ዩ ኢሉ ይነቅፍ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60971676"} {"headline":"ፕረዚደንት ፓርላማ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ዴቪድ ሳሶሊ ኣብ 65 ዓመቱ ሞይቱ","content":"ፕረዚደንት ፓርላማ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ዴቪድ ሳሶሊ ኣብ መበል 65 ዓመቱ ከምዝሞተ ወሃቢ ቃሉ ኣፍሊጡ። እቲ ድሕረ ባይትኡ ጋዜጠኛ ዝኾነ ኢጣልያዊ ፖለቲካኛ፡ ንዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ኣዝዩ ሓሚሙ ከምዝነበረን ዝኾነ ኢፊሳላዊ ስራሕቲ ኣቋሪጹ ከምዝቐነየን ተገሊጹ። ሚስተር ሳሶሊ ምስ ተፈጥሮኣዊ ምክልኻል ሕማም ሰብነቱ ብዝምልከት ገዚፍ ጸገም ኣጋጢምዎ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ሓደ ሆስፒታል ኣትዩ ከምዝቐነየ ምፍላጥ ተኻኢሉ። ናቱ ወሃቢ ቃል ዝኾነ ሮቤርቶ ኲሎ ኣብ ትዊተሩ ከምዝበሎ፡ እቲ ፕረዚደንት ኣቭያኖ ኣብ ዝተብሃለ ሆስፒታል ክንክን እናተገበረሉ ምስ ቀነየ ሎሚ ሰሉስ ንጎሆ ዓሪፉ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም፡ ብምኽንያት ኒሞንያ ናብ ሆስፒታል ኣትዩ እነተነበረ'ኳ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ንሰዓብቱ ካብ'ቲ ሕሱም ስቓዩ እናሓወየ ከምዝነበረ ገሊጹ ነይሩ። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ድማ ስሩዕ ስርሑ ጀሚሩ ነይሩ። እንተኾነ ሓደ ናይ ኢጣልያ ሚድያ ከምዘጸብጸቦ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 26 መሊሱ ናብ ሕክምና ክኣቱ ክኢሉ። ንሱ፡ ደጊሙ ክምረጽ ከምዘይደሊ ኣፍሊጡ ዝነበረ ኾይኑ፡ ንዕኡ ንምትካእ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ መረጻ ክካየድ ትልሚ ተታሒዙ ኣሎ። እቲ ስሙይ ኣንባቢ ዜና ዝነበረ: ኣብ 2019 ናይቲ 705 ኣባላት ዘለውዎ ፓርላማ ኣውሮጳ ፕረዚደንት ኾይኑ ተመሪጹ። ንሱ፡ ነቲ ፓርላማ ዝመርሐ ካልኣይ ኢጣልያዊ እዩ ነይሩ። እዚ ስልጣን ካብቶም ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ዓበይቲ ሓላፍነታት ሓደ እዩ። ሳሶሊ፡ ንሰለስተ ተነሓናሕቱ ምስ ሰዓረ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ናብቲ መስረትቲ ኣቦታት ዘንጸፍሉ መንፈስ ክምለስ ኣለዎ ዝብል ዘረባ ኣስሚዑ ነይሩ። እቶም መስረትቲ ኣቦታት ኣብ ክንዲ ኲናትን ብሄርተኝነትን ሰላምን ማዕርነትን ኣስፊኖም ኢሉ እዩ ዝኣምን። ንሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ጋዜጠኛ ኾይኑ ዝሰርሐ ሳሶሊ፡ ኣብ 2009 እዩ ኣባል እቲ ፓርላማ ኾይኑ። ኣባል 'ሕብረት ገስሰገስቲ ሶሻሊስትን ዲሞክራስያውያንን' ዝተብሃለ ዓቢ ቦታ ዘለዎ ሰልፊ ኾይኑ እዩ ናብቲ ባይቶ ተጸምቢሩ። ብዙሓት መራሕቲ በቲ ናይቲ ፕረዚደንት ሞት ዝተሰመዖም ሓዘን እናገለጹ ይርከቡ። ፕረዚደንት ቤት-መኽሪ እቲ ሕብረት ቻርለስ ማይክል፡ ንሚስተር ሳሶሊ 'ፍቱውን ዓቢ ተስፋ ዝነበሮ ኣውሮፓዊን' ክብል ገሊጽዎ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59933255"} {"headline":"መንግስቲ ዝኣወጆ በይነኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ ‘ክባ እዩ’ ብዝብል ንዝቐረበ ክሲ ኢትዮጵያ ነጺጋቶ","content":"ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ በይነኣዊ ተኹሲ ደው ምባል ‘ከበባ’ ከምዝኾነ ንዝቐረበ ክስን፤ ሕብረት ኣውሮጳ ‘መንግስቲ ጥምየት ይፈጥር ኣሎ’ ክብል መጠንቕታ ምሃቡን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነጺጉ። ኮሚሽነር ሰብኣዊ ሓገዝን ምእላይ ቅልውላውን ሕብረት ኣውሮጳ ጃኔዝ ሌናርቺክ፡ እቲ ኢትዮጵያ ዝኣወጀቶ “ተኹሲ ደው ምባል ዘይኮነስ ክባ እዩ፤ ጥምየት እውን ከም መሳርሒ ኲናት ይውዕል ኣሎ” ክብል ነቲ ሕብረት ምዝራቡ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ተነቒፉ’ሎ። ኣብ ብራስለስ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ንዘረባ እቲ ኮሚሽነር ‘ዘሕዝን’ ብምባል ነቲ ‘ኣብ ክባ ንምእታው ዝተገበረ’ዩ’ ዝብል ርእይቶ ከምዘይቅበሎን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። እቲ ኮምሽነር “መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ መሰረተ-ልምዓት [ትሕተ-ቕርጺ] ብምዕናውን መውጽእታት ብምዕጻውን ንጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀመሉ ኣሎ” ምባሉ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ከምዘየገናዘበ ዝጠቅስ መግለጺ ኤምባሲ ኢትዮጵያ “ኣብ ልዕሊ መንግስቲ መሰረት ዘይብሉ ክሲ ምምስራት መሪጹ’ሎ” ክብል ነቒፉ። ኮሚሽነር ጀኔዝ ብ29 ሰነ 2013 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ነቲ ሓሳብ ዝሃበ ኮይኑ፤ እቲ ሽዑ ዘስምዖ ዘረባ ድማ ‘ኢዩ ኦብዘርቨር’ ኣብ ዝተባሃለ መጽሄት “መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብሰርሖ ጥምየት ይፈጥር ኣሎ ክብል ሕብረት ኣውሮጳ ኣጠንቂቑ” ብዝብል ርእሲ ተሓቲሙ’ሎ። መንግስቲ ኣብ ትግራይ ጥምየት ከየጋጥም ክሰርሕ ምጽንሑ ዝሓበረ መግለጺ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ብራስለስ፡ ብኽልተ ዙር ኣብ ዝቐረበ ረድኤት ኣብቲ ጸገም ካብ ዝርከቡ እቶም 70 ሚኢታዊት ምብጻሕ ከም ዝተኻእለን እቲ ሕዚ ዝተኣወጀ ተኹሲ ደው ምባል ከኣ እዞም ዕላማታት ንምዕዋት ብዝያዳ ከምዝሕግዝን ኣረዲኡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዎ ቅሩብነት ብዝብገስ ነቶም ሰብኣዊ ሓገዛት ከቕርቡ ዝደልዩ ኣካላት ፍቓድ በረራ ኣየር ከምዝሃበ’ውን ጠቒሱ። እቲ ኮሚሽነር ንውሳነ መንግስቲ ኢትዮጵያ “ኣብ ክባ ንምእታው’ዩ” ዝበለሉ ምኽንያት ከረድእ ከሎ፤ ‘ዶባት ትግራይ ምዕጻው፣ በረራታት ምእጋድ፣ መገድታት ምዕናው፣ ምቁራጽ ኣገልግሎት ቴሌኮምዩኒኬሽን ከምኡ’ውን ሰራሕተኛታት ዓለምለኸ ትካላት ረድኤት ከይኣትዉ ምኽልካል” ዝብሉ ዘርዚሩ። “ኣብ ትግራይ ኣብዚ እዋን 900 ሽሕ ሰባት ጠምዮም ኣለዉ። ካልኦት ሓደ ሚልዮን ከኣ ኣብ ኣፍደገ ጥምየት ይርከቡ። እቲ ጥምየት ሰብሰርሖ እዩ። እዚ ድማ በዚ ተሓተትቲ ንዝኾኑ ኣካላት ዓቢ ውርደት’ዩ” ኢሉ። ኢትዮጵያ ኣዋጅ በይነኣዊ ተኹሲ ደው ምባል ክትእውጅ ከላ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝቐረብ ሕቶ መልሲ ንምሃብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካብ ናይ ደገ ኣካላት ብፍላይ ብኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ ንዝቐርብ ተደጋጋሚ ጻውዒት ምላሽ ንምሃብ ከምዝኾነ ብምጥቃስ እዚ ከኣ ናብቲ ቅኑዕ ኣንፈት ዝወስድ ሓደ ስጉምቲ ስለዝኾነ ክነኣድ ከምዘለዎ ትገልጽ። ኣብዚ እዋን ኣብቲ ክልል ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ከምዝሃድአ ዝሓበሩ ካልእ ኣባል እቲ ሕብረት ዝኾኑ ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ስሎቬንያ ኣንዜ ሎጋር፤ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ብዙሓት ከባብታት ከምዝወጽአን ሰራዊት ኤርትራ ድማ ናብ ከባቢ ዶብ ከምዝተመለሰን ተዛሪቦም። ሓበራዊ ሓይሊ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሚሊሻ ክልል ኣምሓራን ግን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ከምዝርከብ ሓቢሮም። ኣስታት 91 ሚኢታዊት ካብ ህዝቢ እቲ ክልል “ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮ እዩ” ብምባል ኩሎም ተጻባእቲ ሓይልታት ተኹሲ ደው ከብሉ ጸዊዖም። ሕብረት ኣውሮጳ ንኢትዮጵያ ዝገብሮ ቀጥታዊ ናይ በጀት ሓገዝ ዝኣገደ ኮይኑ ንሰራሕተኛታት ረድኤት ዘተኣጓጉሉ ሰበስልጣን’ውን ስሞም ኣብ ጸሊም መዝገብ ከምዘስፍር መጠንቀቕታ ምሃቡ ጸብጻብ ኢዩ ኦብዘርቨር የመልክት። እቲ ሕብረት ነቶም ዶብ ሰጊሮም ናብ ሱዳን ዝኸዱ ስደተኛታት ዝኸውን 118 ሚልዮን ፓውንድ ከምዘውጽአ ኮሚሽነር ጃኔዝ ኣዘኻኺሩ’ሎ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57774489"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ዝተነበረ እገዳ ብቅልጡፍ ክልዓል ጸዊዑ","content":"ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብሰንኪ ኣሚክሮን ዝተሰመየ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣብ ልዕሊ ሃገሩን ጎረባብቱን ዝተነበረ እገዳ ኮኒንዎ። ፕረዚደንት ስሪል ራማፎዛ በቲ ብገለ ሃገራት ዝተነበረ ናይ በረራ እገዳ 'ኣዝዩ ከምዝሓዘነ' ብምግላጽ፡ ነቲ ውሳነ 'ዘይፍትሓዊ'ዩ' ብምባል ብቕልጡፍ ክልዓል ጸዊዑ። ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ገለ ካብተን ካብ ሃገራት ዞባ ደቡብ ኣፍሪቃ ገያሾ ከይቅበላ ውሳነ ኣሕሊፈን ዘለዋ እየን። እዚ ኦሚክሮን ዝብል መጸውዒ ተዋሂብዎ ዘሎ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ፡ ኣዝዩ ቅልጡፍ ናይ ምልባዕ ባህሪ ከምዘለዎ'ዩ ተገሊጹ ዘሎ። እዚ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ'ኳ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንፈለማ ግዜ እንተተረኣየ፡ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ'ዩ ውዱእ ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም ቐሪቡ። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት ኣብታ ሰብ ብጻዕቒ ዝነብረላ ዞባ ጓውተንግ ዝተረኣየ ብዙሕ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ጠንቁ እዚ ሓዲሽ ዓሌት ምዃኑን ኣብዚ እዋን እቲ ቫይረስ ኣብ ኩለን ዞባታት ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝተረኣየን እዩ ተገሊጹ ዘሎ። ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ነተን ብታህዋኽ ናይ በረራ እገዳ ዝኣወጃን ዝእውጃ ዘለዋን ሃገራት ብምጥንቃቕ፡ ውሳነአን ኣብ መረዳእታ ዝተሞርከሰ ክኸውን ሓቢሩ። እንተኾነ ብዙሓት ሃገራት ብዘለወን ስግኣት ካብተን እዚ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ዝተረኣየለን ሃገራት ኣጋይሽ ከይኣትውወን ወሲነን ኣለዋ። ላዕለወይቲ ሓላፊት ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኣፍሪቃ ምቲሸዲሶ ሞቲ ብሰንበት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ \"እቲ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ተራእዩ ክንሱ፡ ንኣፍሪቃ ዝዓለመ ናይ በረራ እገዳታት ምንባር\" ዘይሚዛናዊ ምዃኑ ገሊጻ። ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎዛ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ዞባ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተነበረ ናይ በረራ እገዳ \"ስነፍልጠታዊ መሰረት\" ዘይብሉ እዩ ብምባል \"ዘይፍትሓዊ ኣድልዎ\" ይፍጸም ከምዘሎ ኣብሪሁ። ብምስዓብ፡ እገዳ ናይ በረራታት ብምግባር፡ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ከምዘይግታእ ብምግላጽ \"እዚ እገዳ ናይ በረራታት ንቁጠባ እተን እገዳ ዝተነበረን ሃገራት ክድህኽን ካብቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘጋጠመን ቁጠባዊ ቅልውላው ንኸይወጻ ዝዕንቅጽን'ዩ\" ኢሉ። ስሪል ላማፎዛ፡ ኦማክሮን፡ ነቲ ኣብ ዝርገሐ ክታበት ዘሎ ዘይምዕሩይ ዝርገሐ፡ ሚዛን ንኽሕዝ \"ጻውዒት ደወል'ዩ\" ብምባል፡ ኩሉ ሰብ ክሳብ ዘይተኸተበ እቲ ስግኣት ንኹሉ ምዃኑ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ። እዚ ኦሚክሮን ዝተብሃለ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣብ ጀርመን፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣውስትራልያን እስራኤልን ዝርከበኣን ሓያሎ ሃገራት ተራእዩ ኣሎ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59456584"} {"headline":"ሩስያ ንመስመር ጋዝ ከም ፖሎቲካዊ ረብሓ እንተተጠቒማትሉ እገዳ ክስዕባ ከምዝክእል ጀርመን ኣጠንቂቓ","content":"ቻንስለር ጀርመን ኣንገላ መርከል፡ ሩስያ ነቲ ብዩክረይን ዝሓልፍ መስመር ናይ ጋዝ ክትዓጽዎ እንተፈቲና ኣብ ልዕሊኣ ተወሳኺ እገዳ ክግበር ከምዝኽእል ኣጠንቂቓ። ኣንገላ መርከል፡ ናብ ርእሰ ከተማ ዩክረይን ከተማ ከይቭ ኣብ ዝገበረቶ ምብጻሕ፡ ንፕረዚደንት እታ ሃገር ቮሎደሚር ዘለንስኪ ብምርኻብ፡ ንሱ ብዛዕባ እቲ ኖርድ ስትሪም 2 ዝብሃል መስመር ጋዝ ዘለዎ ሻቕሎት ከምዝርደኣ ገሊጻትሉ። ኖርድ ስትሪም 2 ዝተሰመየ መስመር ጋዝ ብባሕሪ ባልቲክ ገይሩ ንዩክረይን ኣቋሪጹ ናብ ጀርመን ዝበጽሕ ኮይኑ፡ ንሰደድ ጋዝ ሩስያ ብዕጽፊ ዘዕቢ እዩ። እቲ መስመር ጋዝ ንዩክረይን ናይ ጸጥታ ጸገም የምጽኣላ ምህላው’ያ ዩክረይን ትገልጽ። ብሰንበት መንግስቲ ጀርመንን ዩክረይን ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ዘለንስኪ እቲ ፕሮጀክት “ክረምሊን[ሩስያ] ከም ጂኦፖሊቲካዊ መሳርሒ ትጥቀመሉ ኣላ፤ እዚ ኸኣ ንመላእ ኣውሮጳ ሓደጋ’ዩ” ኢሉ። እታ ንሃገረ ጀርመን ከም መራሒት ኮይና ን16 ዓመት ዝሰረሐትን ኣብ ዝመጽእ ቀውዒ ካብ ስልጣና እትወርድን ኣንገላ መርከል ብወገና፡ ኖርድ ስትሪም 2 ኣንጻር ዩክረይን ንኸይውዕል ጀርመን ምስ ኣመሪካ ምስምማዓ ገሊጻ። ንሳ ብምስዓብ፡ ሩስያ ነቲ ጋዝ ከም ማሕንቆ ክትጥቀመሉ እንተፈቲና፡ ብመሰረት ጀርመንን ኣመሪካን ዝበጽሐኦ ስምምዕ ኣብ ልዕሊ ሩስያ እግዳ ክንበር ከምዝኽእል ኣተንቢሃ። ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎደሚር ዘለንስኪ፡ እቲ ብኖርድ ስትሪም 2 ዝፍለጥ ፕሮጀክት ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ምስ ተዛዘመ፡ ዩክረይን ካብ ‘ትራንዚት’ ዓመታዊ ትረኽቦ ዝነበረት ቢልዮናት ዶላራት ስለዝንኪ ንቁጠባ ዩክረይን ብኸቢድ ክሃስዩ ከምዝኽእል እዩ ገሊጹ። ብዓርቢ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላዳሚር ፑቱን ዝተዘራረብት ኣንገላ መርከል ብወገና፡ ንትሕተ ቅርጺ ጽላት ተተካኢ ጸዓት ዝውዕል ንዩክረይን ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ክውሃበ ምዃኑ ገሊጻ። ኣብዚ እዋን ሩስያ 40 ሚኢታዊት ካብ ሃልኪ ጋዝ ናይ ኣውሮጳ ሕብረት እያ ተቕርብ ዘላ። እቲ ንዩክረይ ኣቋሪጹ ዝሓልፍ ኖርድ ስትሪም 2 ዝተብሃለ ፕሮጀክት ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ምስተዛዘመ ኸኣ ሩስያ ዓመታዊ 55 ቢልዮን ኩቢክ ሜተር ጋዝ ናብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ከተቕርብ እያ። ኣንጀላ መርከል፡ ብተደጋጋሚ እቲ ኖርድ ስትሪም 2 ዝተሰመየ ፕሮጀክት ቀርብ ዘደንፍዕ እምበር፡ ጀርመንን ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣብ ሩስያ ከምዝምርኮሳ ዝገብር ከምዘይኮነ እያ ትማጎት።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58302658"} {"headline":"ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምብጻሕ ተካይድ ዘላ ፍልይቲ ወኪል ሕብረት ኣውሮጳ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ተራኺባ","content":"ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ፡ ምስ ሱዳን ዘሎ ምውጣጥ ዶብ ብዝዛመድ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ‘ነገር ብምፅሕታር’ ንሱዳን ክኹንን ፀዊዑ። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃእን ደመቀ መኮነን፡ እቲ ምውጣጥ ዶብ ብሰላማዊ መንገዲ ንክፍታሕ፡ ሱዳን ቅድሚ ኩናት ትግራይ ናብ ዝነበረ ቦትኣ ክትምለስ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ንክፅውዕ እውን ሓቲቱ። እቲ ሚኒስትር ነዚ ዝበለ፡ ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ፍልይቲ ተወካሊት ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ዝኾነት ኣኔት ዌበር ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘካየዶ ዘተ ምዃኑ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ገሊፁ። ክልቲኦም ሰብመዚ፡ ኣብ ጉዳይ ጎንፂ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣመልኪቶም ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፡ ኣይተ ደመቀ መኮነን ሱዳን ናይ ግዝኣት ይግበአኒ ሕቶኣ፡ ብሓይሊ ንምፍታሕ ፈቲና ኢሉ። እዚ ድማ ዓለምለኻዊ ሕግን መምርሕታት ሕቡራት መንግስታትን ዝጠሓሰ ከምዝኾነ፡ ነታ ፍልይቲ ልእኽቲ ተዛሪቡ። ሰብመዚ ሱዳን፡ ሰራዊቶም፡ ኣብ ከባቢ ዶብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓረስቶት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ብዙሓት ከባብታት ከምዝተቖፀፀረ ዝገለፁ እንትኾኑ፡ ኢትዮጵያ ድማ ብሰንኪ እዚ ብዙሓት ሰባት ከምዝተመዛበሉን ንብረት ከምዝዓነወን ምግላፃ ይዝከር። ኢትዮጵያ፡ ንኲናት ትግራይ ስዒቡ ሱዳን “ዝወረረቶ መሬት” ትልቀቕ እሞ ናብ ልዝብ ንእቶ እንክትብል፡ ሱዳን ብወገና፡ ሰራዊታ ግዝኣተይ እዩ ካብ ሞንጎ ዝብሎም ቦታታት እቶም ዝበዝሑ ምቁፅፃሩን፡ እዚ ከኣ ዘይዕፀፍ ስጉምቲ ምዃኑ ትገልፅ። እታ ልእኽቲ ካብ ጉዳይ ውጥጥ ዶብ ኢትዮ-ሱዳን ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ፣ ምምላስ ግድብ ህዳሰን ስሉሳዊ ልዝብን ከምኡ’ውን በይንኣዊ ተኹሲ ደው ምባልን ዝምልከቱ ጉዳያት ምዝታያ፡ ካብ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ። ኣብ በይንኣዊ ተኹሲ ደው ምባል ብዝምልከት መርገጺ መንግስቱ ዘረደአ ኣይተ ደመቀ መኮነን፡ መንግስቲ ንዝሐሸ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ምስ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ብቕርበት ንምስራሕን ትግራይ መሊስካ ንምጥያሽን እዩ ኢሉ። እቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፡ “ህወሓት ንሕብረተሰብ ከም ሰብኣዊ መከላኸሊ ብምጥቃም፣ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ብምፍፃም፣ ንሰብኣዊ ሓገዝ ብምስንኻልን ህፃናት ብወተሃደርነት ብምምልማልን ነቲ ተኹሲ ደው ምባል ጥሒሱ” ኢሉ። ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ግና፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝተጓናጸፍዎ ዓወት: እቲ ሰራዊት ተደፊኡ ከምዝወፅአን እዮም ዝገልፁ። ሓይልታት ትግራይ ንከተማ መቐለ ኣብ ዝቆፃፀርሉን ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ካብ መቐለ ኣብ ዝወፅሉን፡ መንግስቲ ፌደራል በይንኣዊ ተኹሲ ደው ምባል ኣዊጁ ኔሩ። ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ብወገኖም፡ ተኹሲ ደው ንምባል በዓል ሸውዓተ ነጥቢ ቅድመ ኩነት ከምዘቐመጡ ይፍለጥ። ካብቶም ቅድመ ኩነታት ሓደ፡ ወተሃደራት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ቅድሚ ምጅማር እቲ ኲናት ናብ ዝነበርዎ ክምለሱን፡ ካብ ግዝኣት ትግራይ ጠቕሊሎም ክወፅኡን ዝብል ኣብ ቅድሚት ይርከብ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ እዋን እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝበጽሐ ግፍዒ ብዘይሻራዊ ኣካል: ክፃረን ክምርመርን ኣብ ትግራይ መብራህቲ፣ መንገዲ፣ ስልክን ባንክን ሓዊሱ ተቛሪፁ ዘሎ መሰረታዊ ኣገልግሎት ብዘይ ወዓል ሕደር ናብ ንቡር ክምለስን ዓለምለኻዊ በረራታት መንገዲ ኣየር ብቐጥታ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ እቲ ክልል ክሰርሑ ከፍቅድ ኣብቲ ቅድመ ኩነት ሓቲቶም እዮም። ብኻልእ ወገን ኣብዚ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ሓዊሱ፡ ላዕለዎት ኣመራርሓ እታ ሃገር፡ “ህወሓት ህፃናት ብመዐወኒ ዕፅ እናዕበደ ንወተሃደርነት ይምልምል’ሎ” ኢሎም ምኽሳሶም ይዝከር። እንተኾነ፡ ብህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ኣብዚ ጉዳይ ዓለምለኸ ረቛሕታት ካብ ዝእዝዞ ወፃኢ ትሕቲ ዕድመ ህፃናት ከምዘየሳተፈ ምላሽ ሂቡ እዩ። ኒውዮርክ ታይምስ “ ሓየልታት ትግራይ ንሰራዊት መንግስቲ ፌደራል ዘውፅእሉ መገዲ” ኢሉ ኣብ ዝሰርሖ ፀብፃብ ዝተኻተቱ ስእልታት ድማ፡ ንሓይልታት ትግራይ ክቕበሉ ዝወፁን ኩናት ኣብ ዘይብሉ ኩነታትን እዩ” ኢሉ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣይተ ደመቀ መኮነን፡ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ንባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪቡ ዘፅደቖ ውሳነ’ውን፡ ግዚኡ ዘይሓለወን ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎን እዩ ኢሉ። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰልን ላዕለዋይ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራትን ብሓባር ንዝገብርዎ ምርመራ ኣብ ግምት ዘየእተወ’ዩ ክብል፡ ወቒሱ። ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብ ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ምስ ኩናት ትግራይ ብዝዛመድ ዝፍፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘሻቕሎን፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ብህፁፅ ክወፅእን ብምሕታት ዘቕረቦ እማመ፡ ተቐባልነት ምርካቡ ዝዝከር እዩ። ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ፍልይቲ ተወካሊት ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ዝኾነት ኣኔት ዌበር ብወገና፡ ኣብ ጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝግበር ምርመራ ክቃላጠፍ ሓቲታ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ትግራይ ክፍጠር ዝኽእል ሰብኣዊ ቅልውላው፡ ንሕብረት ኣውሮጳ ከምዘሻቐሎን ገሊፃ። ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኢትዮጵያ ንምርግጋዕ እቲ ዞባ ግደ ከምዘለዋ ክርዳእን፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዘየድልይ ፀቕጢ ካብ ምግባር ብእወንታዊ መልክዑ ክንቀሳቐስን ከምዝግባእ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮነን ሓቲቱ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57907912"} {"headline":"ወራር ሩስያ ደው ክብለሉ ዝኽእል ሓሙሽተ ተኽእሎታት","content":"ንዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው'ምበኣር እዚ ኲናት ደው ክብለሉ ዝኽእል ተኽእሎታት ክንድህስስ ክንፍትን ኢና። እዚ ኸኣ ነቲ ፖሎቲከኛታትን ክኢላታት ውግእን ክውጥንዎ ዝኽእሉ ነገራት ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። ገለኡ ዘይመስል ክመስል ይኽእል'ዩ፣ ገለኡ ግን ግብራዊ ዝመስል እዩ። ኣብዚ ዓለም ብዓብላዂ ዜና ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ተጐቢኣትሉ ዘላ እዋን፡ እንታዩ ክስዕብ ከም ዝኽእል ንኽትንበ ኣጸጋሚ ኰይኑ'ሎ። ካብቲ ኲናት ዝካየደሉ ዘሎ ቦታታት ዝመጽእ ዜናታት፡ ታህዲድ ዲፕሎማሰኛታት ኣውያት ተፈናቐልትን ስደተኛታትን ተደማሚሩ ቅኑዕ ገምጋም ክግበር ኣጸጋሚ ይገብሮ። ሓጺር ኲናት ኣብዚ ተኽእሎ እዚ፡ ሩስያ ኵሉ እቲ ክትገብሮ እትኽእል ወተሃደራዊ መጥቃዕቲታት ገይራ፣ ንዅሉ ትሕተ ቕርጺ ዩክረይን ኣዕንያ፡ ኵሉ ዓይነት ሳይበራዊ መጥቃዕትታት ፈጺማ፡ ኣሽሓት ሰላማውያን ቀቲላ ኣብ ሓጺር መዓልታት ንከተማ ከይቭ ክትቈጻጸራ እዩ። ሩስያ፡ ንመላእ ዩክረይን ብምቍጸጻር ንኣኣ ዝምእዘዝ መንግስቲ ክትተክል፣ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ክቕተል ወይ ክስደድ፣ ምናልባት እንተ ተሰዲዱ ኸአ ኣብ ደገ ኰይኑ መንግስቲ ከቕውም ክፍትን። ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዓወት ከምዝተጐናጸፈ ብምእዋጅ፡ ገለ ክፋል ሰራዊቱ ካብ ዩክረይን ከውጽኦም። ኣሽሓት ዩክሬናውያን ክስደዱ፣ ዩክረይን ልክዕ ከም ቤላሩስ ተማእዛዚት ሩስያ ክትከውን። እዚ ዘይክመስል ዝኽእል'ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ገለ ረቋሒታት ተመርኲሱ ዘይኰነሉ ምኽንያት ግን የለን። ሰራዊት ሩስያ ኣብ ጽቡቕ ቍመና እንተሃልዩን፡ ዓቕሚ ሰራዊት ዩክረይን ኣዝዩ እንተ ተዳኺሙን፡ እዚ ኲናት ኣብ ሓጺር ግዜ ክውዳእ ይኽእል እዩ። ፑቲን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዓወት ብምምዝጋብ፡ ስርዓት ቀይሩ፡ ነቲ ብመንገዲ ዩክረይን ካብ ሃገራት ምዕራብ ዝመጽኦ ስግኣታት ሓንሳእን ንሓዋሩን ክርግጦ ይኽእል እዩ። እንተዀነ እቲ ንመንግስቲ ሩስያ ዝምእዘዝ ኣብ ዩክረይን ዝቐውም መንግስቲ፡ ንዝዀነ መጥቃዕትታት ዝተቓልዐ ስለዝኸውን፡ እቲ ኲናት ዳግማይ ክውላዕ፡ ተኽእሎኦ ልዑል እዩ። ምናልባት እዚ ኲናት ንዝተናውሐ ግዜ ክቕጽል ተኽእሎ ኣሎ። ሰራዊት ሩስያ ሞራሉ ተሓማሺሹ፡ ድኽመት መሪሕነትን ሕጽረት ሎጂስቲክን ኣጋጢምዎ ካብዚ ሒዝዎ ዘሎ ቦታታት ክቕጽል ኣይክእልን ይኸውን። እዚ ምስቲ ኣብ 1990ታት ሩስያ ንርእሰ ከተማ ቸቺንያ ንምሓዝ ዝወሰደላ ግዜ ክመሳሰል ይኽእል እዩ። ሰራዊት ሩስያ ንገለ ከተማታት ዩክረይን ምስ ሓዘ፡ ምቁጽጻርን ከጸግሞን እኹል ሓይሊ ንምውፋር ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ምጽንቃቕ ዓቕሚ ክበጽሕ ይኽእል'ዩ። መንግስቲ ዩክረይን'ውን ነቲ ኲናት ናብ ህዝባዊ ቃልሲ ቐይሩ፡ ዓቕሚ ምክልኻሉ ኣደልደሉ፡ ንሰራዊት ሩስያ እሾኽ ክዀኖ ይኽእል እዩ። ሃገራት ምዕራብ፡ ንሰራዊት ዩክረይን እዅል ወተሃደራዊ ንዋት እንተለጊሰናሉ ኸአ እቲ ኲናት ዓመታት ወሲዱ ኣብ ሞስኮ መንግስቲ ተቐይሩ፡ ሰራዊት ሩስያ ካብ ዩክረይን ንኸንሳሕብ ዝድርኽ ውሳነ ክውሰድ ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ልክዕ ምስቲ ኣብ 1989 ሩስያውያን ካብ ኣፍጋኒስታን ዘንሳሕብዎ ዝመሳሰል እዩ። ኲናት ዩክረይን ናብ ካልኦት ሃገራት ናይ ምልሓም ተኽእሎ ኣለዎዶ? እንተኢልና እቲ መልሲ ብርግጽ 'እወ' እዩ ዝኸውን። ፑቲን ናብተን ኣብ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ ዘይኣተዋ ዘለዋ ኣባላት ሕብረት ሶቭየት ነበር ከም ሞልዶቭያን ጆርጅያን ወተሃደራቱ የእቱ ኣሎ። ብምቕጻል ናብ ሃገራት ዞባ ባልቲክ'ውን ሰራዊቱ ከእቱ ይኽእል እዩ። ምስ ካሊኒንግራድ ዘራኽቦ ናይ መሬት መስመር ንኽፈጥር ከኣ፡ ኣባል ኔቶ ንዝዀነት ሊትወንያ ክረግጻ'ውን ተኽእሎ ኣሎ። ብመሰረት ዓንቀጽ 5 ቻርተር ኔቶ፡ ኣብ ልዕሊ ዝዀነት ኣባል እቲ ኪዳን ዝወርድ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኵለን'ተን ካልኦት ሃገራት ከምዝተፈጸመ ይሕሰብ ስለዝብል፡ እቲ ኲናት ንዅለን ኣባላት ኔቶ ክሽልብበን ተኽእሎ ኣሎ። ሩስያ ነቲ ኲናት ናብ ኵሉ ንኽልሕም ከም ምኽንያት ክትጥቀመሉ ትኽእል እያ። ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ ኑክሌር ክትጥቀም ተኽእሎ'ሎ። እዚ ዅሉ እናዀነ፡ እዚ ኲናት ብዲፕሎማስያዊ ዘተ ዘይፍትሓሉ ምኽንያት የለን። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ \"ሕጂ ብረት እዩ ዝዛረብ ዘሎ፡ እንተዀነ ንዘተ መዓጹና ርሑው ክንገብሮ ኣለና፡\" ኢሉ ነይሩ። ገለ ዘተታት ይቕጽል ኣሎ፣ ፕረዚደንት ማክሮን ምስ ፑቲን ብተሌፎን ተዘራሪቡ ነይሩ። ሰብ መዚ ሩስያን ዩክረይንን'ውን ኣብ ቤላሩስ ዘተ ኣካይዶም'ዮም፣ ዋላ'ኳ ኣብ ሓደ ዘዕግብ ስምምዕ እንተዘይበጽሑ ንዘተ ድልዋት ምህላዎም ግን ሓደ እወታዊ ነገር'ዩ። ገለ ዲፕሎማሰኛታት፡ መንግስቲ ሩስያ ነዚ ኲናት ደው ከብሎ እንዘይክኢሉ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ሰፍ ዘይብል እገዳ ክወርዶ ከምዝኽእል ምፍላጡ ከም ጽቡቕ'ዮም ዝርእይዎ። ቻይና ኣብ ልዕሊ ሞስኮ ጸቕጢ ክትገብር እንተጀሚራ፡ መንግስቲ ሩስያ ክስኩን ይኽእል እዩ። ሰብ መዚ ዩክረይን'ውን ብተመሳሳሊ እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ቅርጺ ሃገሮም ዘኸትሎ ዘሎ ዕንወት ኣብ ግምት ብምእታው ናብ ዘተ ዘይቀርቡሉ ምኽንያት ኣይክህሉን'ዩ። ፑቲን ነዚ ኲናት ክጅምሮ እንከሎ፡ ንዅሉ ዝስዕብ ነገራት ድሉዋት ኣለና ይብል ነይሩ። እንተዀነ እቲ ክንከፍሎ ድልዋት ኣለና ዝበሎ ክሳብ ንእኡ ካብ ስልጣን ዘውርድ እንተዀነኸ? እዚ ዘይሕሰብ ክመስል ይኽእል እዩ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ኪቭ ዝሕሰብ ዘሎ ኣብ ሞስኮ'ውን መንግስቲ ክቕየር ዘይሕሰብ ኣይኰነን፡ ኢሎም ዝገልጹ ምሁራት ኣለዉ። ነዚ ዝብልሉ ምኽንያት ከረድኡ እንከለዉ ኸኣ፡ ኣሽሓት ወተሃደራት ሩስያ ምስ ሞቱ፡ ነታ ሃገር ቍጠባዊ እገዳ ምስ ረመሳ፡ ፑቲን ህቡብነቱ ክጐድልን ምናልባት'ውን ህዝባዊ ተቓውሞ ክልዓሎ ከምዝኽእል ይምጕቱ። እዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ተኽእሎታት፡ ንሓድሕዱ ተዋሲቡ'ውን ሓደ ውጽኢት ከምጽእ ይኽእል እዩ። እንተዀነ ድሕሪ እዚ ኲናት፡ ሩስያ ምስ ካልኦት ሃገራት ዝህልዋ ርክብ ካልእ መልክዕ ክህልዎ ግድን እዩ። ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ጸጥታዊ መሓውረን ምምሕያሽ ክገብራ'የን።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60614460"} {"headline":"ኮፕ26፡ መራሕቲ ብርሰት ኣግራብ ኣብ 2030 ከብቅዕ ከም ዝገብሩ ቃል ኣትዮም","content":"ኣብቲ ኣብ ኤውሮጳ ክካየድ ዝጀመረ ዋዕላ ክሊማዊ ለውጢ፡ ልዕሊ 100 መራሕቲ ዓለም ኣብ 2030 ብርሰት ኣግራብ ጠጠው ንምባል ታሪኻዊ ስምምእ ክገብሩ ቃል ኣትዮም። ኣብዚ ስምምዕ እታ ነቲ ዝዓበየ ጫካ ኣማዞን ዝሓዘት ብራዚል ፈራሚት ምዃና ተስፋ ሂቡ ኣሎ። ብምኽንያት ብርሰት ኣግራብ ኣማዞን ብራዚል ስግኣት ክሊማዊ ለውጢ ዓለም ኮይና ጸኒሓ'ያ። ብርሰት ኣግራብ ድማ ንክሊማዊ ለውጢ ዓብዪ እጃም ከም ዘለዎ ይእመን። ክኢላታት እቲ ውሳነ እኳ እንተንኣዱዎ፡ እቲ ብ2014 ዝተበጽሐ ውዕሊ \"ፈጺሙ ብርሰት ኣግራብ ንምንካይ ኣይሓገዘን\" ብምባል እቲ ዝእቶ መብጽዓ ቆራጽነት ከም ዝሓትት ኣጠንቂቖም። ሽፋን እቶም ልዑል መጠን ሙቐት ዘለዎ ጋዝ ካርበን ዳይኦክሳይድ ዝወስዱ ኣግራብ እናተቖረጹ ስለ ዝማሕምሑ፡ ብርሰት ኣግራብ ኣብ ክሊማዊ ለውጢ ዓብዪ ተራ ነይሩዎ። እዚ ኣብ ግላስጎው ንኽልተ ሰሙን ዝጋባእ ኣኼባ መራሕቲ ሃገር ድማ፡ ክሊማዊ ለውጢ ንምቁጽጻር ኣገዳሲ ኮይኑ ይርከብ። እተን ነቲ ሕጂ ቐሪቡ ዘሎ ጻውዒት ክፍርማ ተበግሶ ኣርእየን ዘለዋ ሃገራት ካናዳ፣ ብራዚል፣ ሩሲያን ኢንዶኔዥያን 85 ሚኢታዊት ጫካ ዓለም ዝሽፍና እየን። እዚ ድማ፡ 19.2 ቢሊየን ዶላር ሓገዝ ገንዘብ ውልቀን መንግስትን ዝሓትት'ዩ ተባሂሉ። ገለ እቲ ነዚ ዝኸውን ገንዘብ ዝተጎድአ መሬት ንምሕዋይ፣ ባርዕ ጫካ ንምክልኻልን ደቂ'ባት ማሕበረሰብ ንምሕጋዝን ናብ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ዝልኣኽን ክኸውን እዩ። መንግስታት 28 ሃገራት ድማ ጨፍጫፍ ኣግራብ ካብ ዓለምለኻዊ ንግዲ መግብን ከም ዘይቲ፣ ኣዳጉራን ኮካን ዝበሉ ምህርታት ሕርሻን ክኣልይኦ'የን። ምስ ብርሰት ኣግራብ ዝተሓሓዝ ንጥፈት ዘለዎም ልዕሊ 30 ኩባኒያታት ዓለም ድማ ኢንቨስትመንቶም ጠጠው ከብሉ'ዮም። እዞም ኢንዳስትሪታት ንመግሃጫ እንስሳን ንሕርሻን ብዝብል ኣግራብ ስለ ዝቖርጹ ሽፋን ኣግራብ ክንኪ ገይሮም'ዮም። እቲ ኣብ ተፋሰስ ኮንጎ ዝርከብ ኣብ ዓለም ካልኣይ ዝዓበየ ትሮፒካል ጫካ ንምዕቃብ ከኣ 1.1 ቢሊየን ፓውንድ ፈንድ ክዳሎ'ዩ። ልዑል ወሰኽ ዓለማዊ ዋዒ ክንከላኸሎ እንተኾይንና መንግስታት ልቀት ዋዒ ዝውስኹ ጋዛታት ንምንካይ ቃል ክኣትው ይግባእ። ኣብዚ መንግስታት እተን ከም ኣመሪካን ቻይናን ዝበላ ዝለዓለ ብኽለት ኣየር ዘስዕባ ሃገራት ዝኣትውኦ መብጽዓን ድኻ ሃገራት ክረኽብኦ እየን ዝብሃል ሓገዝን እንታይ ከም ዝመስል ምክትታል ኣገዳሲ'ዩ። ኣብዚ ጉባኤ ዝሓልፉ ውሳነታት፡ ስራሕና፣ ኣብ ገዛ ብኸመይ ክንምገብ ወይ እንታይ ክንበልዕ ከም ዘለና፣ ከመይ ክንጉዓዝ ከም ዘለና ዝገንሑ ክኾኑ'ዮም። ክኢላ ክሊማን ኣግራብን ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደን ፕሮፌሰር ሲሞን ሊዊስ \"ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብርሰት ኣግራብ ንከብቅዕ ፖለቲካዊ ተወፋይነትን እኹል ፈንድን ምህላው ጽቡቕ ዜና'ዩ\" ኢሉ። ይኹን'ምበር እዚ ሓድሽ ውዕሊ ንጠለብ ኸም ኣብ ናይ ጫካ መሬት ዝፈርዩ ከም ስጋ ዝበሉ ምህርታት ዝቃለስ ከም ዘይኮነ ሓቢሩ። እዚ ድማ ነተን ከም ኣመሪካን ኢንግሊዝን ዝበላ ልዑል ጠለብ ስጋ ዘለወን ሃገራት ኣብ ግምት ዘእቱ ከም ዘይኸውን ገሊጹ። ኣብ ምትሕብባር ደቀ'ባት ማሕበረሰብ ኣማዞን ዝሰርሕ ቱንቲያክ ካታን፡ ኣባላት ማሕበረሰብ ደቀ'ባት ብምስታፍ ብርሰት ኣግራብ ጠጠው ንኽብል እቲ ውዕሊ ሓጋዚ ተራ ክህልዎ'ዩ ኢሉ ከም ዝኣምን ተዛሪቡ። ንሱ፡ ኣብ ኢኳዶር ኣባል እቶም ማሕበሰረብ ኮይኑ፡ ደቀ'ባት 80 ሚኢታዊት ብዝሓ ህይወት ዓለም'ኳ እንተተኸላኸሉ ንርእሶም ግን ስግኣትን ጎነጽን'ዩ ዝበጽሖም ክብል የረድእ። \"ንዓመታት ኣነባብራና ስለ ዝተጠንቀቕና ነቲ ስርዓተ ማሕድሮን ጫካን ሓሊናዮ ኢና። ንሕና ዘይብሉ፡ ዝኾነ ገንዘብ ወይ ፖሊሲ ክሊማዊ ለውጢ ጠጠው ከብሎ ኣይኽእልን\" ይብል። እዚ ሓድሽ ውዕሊ ብዙሓት ቑልፊ ሃገራት ከካትት ትጽቢት ይግበር። ኢንዶኔዥያ፡ እታ ዝዓበየት ዘይቲ ዶማ [palm oil] ሰደድ እትገብር ሃገር እያ። እዚ ኣብ ኩሎም ዓይነት ምህርታት ብስኩትን ሻምፖን ዝርከብ እዩ። ምህርቲ እዚ ዘይቲ ድማ ብርሰትን ምዝንባል ደቀ'ባትን የስዕብ ኣሎ። ኣብ ቀረባ፡ ልዕሊ ሓደ ሕምሸን ኣትኽልቲ ዓለምና ዝሕዝ ዓብዪ ተፈጥሮኣዊ ጫካ ሩሲያ ዓመታዊ ልዕሊ 1.5 ቢሊየን ቶን ካርበን ክሕዝ ክኢሉ። ኣብ ኣማዞን ድማ ኣብ 2020 ብርሰት ኣግራብ ወሲኹ። ስለ ዝኾነ ድማ ሕጂ ብራዚል ነቲ ሓድሽ ውዕል ክትፍርም ምግባር ኣብ ምክልኻል እቲ ሓደጋታት ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ክኢላታት ይዛረቡ። ብዙሓት ኣብ ኣማዞንን ኣብ ጥቕኡ ኣብ ዝርከቡ ከተማታትን ዝነብሩ ሰባት ህይወቶም ኣብቲ ጫካ ዝተደረኸ ስለ ዝኾነ ሓድሽ ምንጪ እቶት ንክረኽቡ ምስራሕ ከም ዘድሊ የዘኻኽሩ። ኣትኽልቲ፡ ልቀት ካርበን ዳይኦክሳይድ ብምምጣጥ ዋዒ ዓለም ዝከላኸሉ ኣገደስቲ ጉዳያት ሓደ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን በብደቒቕ ክንዲ 27 መጻወቲ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ጫካ ይጠፍእ። በዚ ምኽንያት፡ ኣብ 2100 ዓለማዊ ዋዒ ናብ 2.7 ዲግሪ ሴልሽየስ ክብ ክብል ይኽእል'ዩ ዝብል ስግኣት ብምህላዩ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እዚ \"ክሊማዊ መዓት\" ከምጽእ እዩ ይብል።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59006083"} {"headline":"ሩስያ ንዩክረይን ናይ ምውራር ሃቐነ ከምዘይብላ ንኣመሪካ ገሊጻትላ","content":"ሰብ መዚ ኣሜሪካን ሩስያን ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ ሩስያ ንዩክረይን ናይ ምውራር ሃቐነ ከምዘይብላ ሰብ መዚ ሩስያ ገሊጾም። እቶም ሰብ መዚ ትማሊ ሰኑይ ሸውዓተ ሰዓታት ዝወሰደ ክልትኣዊ ዘተ ድሕሪ ምክያድ፡ ክልቲኦም ወገናት ወጥሪ ዘህድእ ስጉምትታት ክወስዱ ኣብ ስምምዕ ምብጽሖም ገሊጾም ኣለዉ። እንተኾነ እቲ ወጥሪ ዘህድእ ስጉምትታት ተባሂሉ ዘሎ እንታይ ምዃኑ ኣይተገለጸን ዘሎ። ኣስታት 100 ሽሕ ሰራዊት ሩስያ ኣብቲ ንሩስያ ምስ ዩክረይን ዘዳውባ ቦታታት ዓሪዱ ምህላዉ'ዩ ዝግለጽ። ካብዚ ብምብጋስ ምዕራባውያን ሃገራት: ሩስያ ንዩክረይን ናይ ምውራር ውጥን ከምዘለዋ ከጋውሓ ይስማዓ'የን። ኣሜሪካ፡ ሩስያ ንዩክረይን ክትወራ እንተፈቲና ሰፍ ዘይብል እገዳ ክግበረላ ምዃን ብተደጋጋሚ ከተጠንቕቕ ጸኒሓ'ያ። ሩስያ ብወገና፡ እቲ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝገበርኦ ዝኾነ ዓይነት ምትእትታው 'መዘዙ ከቢድ ክኸውን'ዩ' ክትብል ጸኒሓ እያ። ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፡ ሰርጌ ርያብኮቭ ድሕሪ እቲ ኣኼባ \"ንዩክረይን ናይ ምጥቃዕ ውጥንን ሃቐንን ከምዘይብልና ገሊጽናሎም ኣለና\" ኢሉ። ንሱ ብምስዓብ \"ኩሉ እቲ ንገብሮ ዘለና ጥሙር ወተሃደራዊ ልምምዳት ኣብ ውሽጢ ዶብና ኢና ንገብሮ ዘለና፡ ስለዚ ዝኾነ ዘስግእ ነገር ከምዘየለ ገሊጽናሎም ኢና\" ኢሉ። ምክትል ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ዊንዲ ሸርማን ብወገና ነቲ ዘተ 'ቅንዕና ዝነበሮ'ዩ' ብምባል፡ ንሓድሕዶም ንክረዳድኡ ዘለዎም ስክፍታ ንኽገልጹን ባይታ ዘጣጠሐ ከምዝነበረ ገሊጻ። ዊንዲ ሸርማን፡ ኣሜሪካ ነቲ ብሩስያ ዝቐረበ፡ ዩክረይን ኣካል ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ክትከውን የብላን ዝብል ጠለብ ከምዝነጸገቶ ገሊጻ። ብመሰረት ዊንዲ ሸርማን ዝሃበቶ ሓበሬታ ሰብ መዚ ኣሜሪካ፡ ሩስያ ናብ ዩክረይን ገጻ ወራር እንተፈቲና \"ልዕሊ እቲ ኣብ 2014 ዝርኣይዎ ሳዕቤናት ክመጸኩም እዩ\" ከምዝበልዎም ኣብሪሃ። እቲ ኣሜሪካ ክትወስዶ ትኽእል ስጉምትታት፡ እገዳ ኣብ ልዕሊ ወሰንቲ ጽላታት ሩስያ፡ ምቁጽጻር ሰደዳት ሩስያ፡ ምድልዳል ሓይሊ ኔቶን ንዩክረይን ዝውሃብ ደግፍ ምሕያልን ዘጠቓለለ ክኸውን ከምዝኽእል ዊንዲ ሸርማን ገሊጻ። ኣብቲ ብሰኑይ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ኣሜሪካን ዝተኻየደ ኣኼባ ካብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣባለት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክን እታ ቀንዲ ዛዕባ ዝኾነት ዩክረይንን ዘይምስታፎም ምዕዝምዛማት ፈጢሩ ኣሎ። ብሰኑይ ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ኣውሮጳዊ ሕብረት ጆሴፍ ባሮል፡ ሩስያ ንዩክረይን ናይ ምውራር ውጥን ከምዘለዋ ብርእሰ ተኣማንነት እዩ ገሊጹ \"100 ሸሕ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ዶብ ዩክረይ ኣለዉ፡ መቸም ናብቲ ዶብ ቡን ክሰትዩ ኣይኮኑን መጺኦም\" ኢሉ። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ጀምስ ላንዳለ ግን ክልቲኤን ሃገራት [ኣሜሪካን ሩስያን] ዘለወን ኣፈላላይ ንምጽባብ ብዙሕ ከምዝተርፈን እዩ ዝገልጽ። ኣሜሪካ፡ ነገራት ናብ ንቡር ክምለስ እንተኾይኑ፡ ሩስያ ወተሃደራታ ካብ ዶብ ዩክረይን ከተርሕቕ እያ ከም ቅድመ ኩነት ተቕርብ፡ ሩስያ ኸኣ 'ኣብ መሬተይ'የ ዘለኹ' ብምባል ነግ ፈረግ ዘይብል መርገጺ እያ ሒዛ ዘላ። ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ንዩክረይን ኣባሉ ከይገብራ ንዝብል ሩስያ ዘቕረበቶ ቅድመ ኩነት ኣሜሪካ ብትሪ እያ ትነጽጎ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59948238"} {"headline":"ሩስያ ንዩክረይን እንተወሪራታ ከቢድ ሳዕቤን ክህልዎ ምዃኑ ዓባይ ብሪጣንያ ኣጠንቂቓ","content":"ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ሊዝ ትሩስ፡ ሩስያ ንዩክረይን እንተወሪራታ ከቢድ ሳዕቤን ከምዝህልዎ ኣጠንቂቓ። ንሳ ጉጅለ ሃገራት 7 [G7] ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ሊቨርፑል ኣብ ዝገብርኦ ኣኼባ፡ ሓድነተን ብምትራር ሩስያ ንዩክረይን ክተወራ እንተፈቲና “ግጉይ ስትራተጂ” ምዃኑ ከርእያ እየን ኢላ። ሚነስተር ሊዝ ትሩስ፡ ዓባይ ብሪጣንያን መሻርኽታን “ሩስያ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ንኸይትወስድ ክገትእኣ’የን” ኢላ። ልዕሊ 90 ሽሕ ሰራዊት ሩስያ ናብ ምብራቓዊ ዶባት ዩክረይን’ኳ ተጸጊዑ እንተሎ፡ ሩስያ ግን ንዩክረይን ናይ ምውራር ሃቐነ ከምዘይብላ’ያ ትገልጽ። ኣመሪካ’ውን ኣቐዲማ ብተመሳሳሊ ንሩስያ ኣጠንቂቓታ ምናባራ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሚኒሰትር ሊዝ ትሩስ “ሩስያ ነዚ ወራር እንተፈጺማቶ፡ ዓቢ ስትራተጂካዊ ጌጋ ክኸውን እዩ፡ ከም ሳዕቤኑ ኸኣ ሩስያ ከቢድ መዝዝ ክወርዳ’ዩ” ኢላ። ዩክረይን ምስ ሩስያን ምስ ሕብረት ኣውሮጳን ትዳወብ ሃገር ኮይና፡ ኣቐዲማ ኣባል ህብረት ሶቭየት ስለዝነበረት ምስ ሩስያ ጥቡቕ ዝኾነ ማሕበራውን ባህላውን ርክባት ዘለዋ ሃገር እያ። እንተኾነ፡ ሩስያ ንዩክረይን ባሕጫሪ ዝኾነ ስጉምትታት ብምውሳድ፡ ሰራዊት ኪዳን ሰሙን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ኣብ ምብራቃዊ ዶባታ ክዕስክሩ ፈቒዳን ኣብ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ከበድቲ ኣጽዋርት ተጸግዕ ኣላን ብምባል እያ ተኸሳ። ቅድሚ ሃገራት ጉጅለ7 ኣኬባ ምጅማረን ሚኒሰተር ትሩስ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን ዲሚትሪ ኩለባ ኣብ ሎንደን ከምዝተዘራረበት ተሓቢሩ ኣሎ። ሩስያ ንዩክረይን እንተወሪራታ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ድዩ ተባሂሉ ንዝቀረበላ ሕቶ፡ ምኒስተር ትሩስ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ዩክረይን “ኣብ ምክልኻልን ጸጥታን” ትሰርሕ ምንባራ ገሊጻ። ብምስዓብ “ንዩክረይን ሓገዛት ንህባ ኢና፡ ኣብ ጸዓታዊ ጉዳይ ኣብ ሩስያ ጥራይ ከምዘይምርኮሱ ንገብር ኣለና፡ ብኸምኡ ኢና ድማ ንዩክረይን ንሕግዝ” ኢላ። ሚኒስተር ሊዝ ትሩስ ዓባይ ብሪጣንያን ሕብረት ኣውሮጳን፡ ምዕራባዊ ቁጠባ ኣብ ሩስያ ብውሑድ ዓቐን ጥራይ ከምዝምርኮስ ኣብ ምግባር ይስራሕ ምህላዉ’ውን ሓቢራ። ሩስያ ንዩክረይን እንተወሪራታ እቲ ካብ ሩስያ ናብ ጀርምን ዝዝርጋሕ ‘ኖርድ ስትሪም 2’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መስመር ጋዝ ኣብ ሓደጋ ክወድቅ ከምዝኽእል ሚኒስተር ሊዝ ትሩስ ገሊጻ። ነዚ ዝምልከት ሃገራት ጉጅለ 7 ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ዝገብርኦ ኣኼባ ብሰፊሑ ክዝተየሉ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ፕረዚደንት ሩስያ ቭላዳሚር ፑቲንን’ውን ነዚ ዘሎ ወጥሪ ኣመልኪቶም ብሰሉስ ብቪድዩ ኣኼባ ከምዘካየዱ ተገሊጹ ነይሩ። ኣብቲ ዝርርቦም፡ ሩስያ ንዩክረይን ክትወራ እንተፈቲና “ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፍለጥ ተሪር ቁጠባዉ ሳዕቤናት” ክህልዎ ምዃኑ ጆ ባይደን ንፑቲን ገሊጽሉ ነይሩ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59619848"} {"headline":"ኵናት ዩክረይን፡ ሩስያ ነዳዲኣ እንተተኣጊዱ ቀረብ ጋዝ ክተቋርፅ ምዃና ኣጠንቂቓ","content":"ሩስያ፡ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ነዳዲ ሩስያ እገዳታት ምንባር እንተድኣ ቀፂለን፡ ናብ ጀርመን ዝዝጋሕ ቀንዲ መስመር ጋዝ ክትዓፅዎ ከምትኽእል ኣጠንቂቓ። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣሌክሳንደር ኖቫክ፡ \"ናይ ሩስያ ነዳዲ ምንፃግ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ኣዕናዊ መዘዝ ከስዕብ'ዩ\" ብምባል፡ ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ ናብ 300 ዳላር ክዓርግ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ። ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ምፍፃማ ስዒቡ፡ ኣሜሪካ ምስ መሻርኽታ ኣብ ቀረብ ነዳዲ እገዳ ንምንባር ክትዘራረብ'ያ ፀኒሓ። ጀርመንን ኔዘርላንድን ግና ነቲ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ልዕሊ ቀረብ ነዳዲ ሩስያ እገዳ ንምንባር ተወጢኑ ዝነበረ ትልሚ ነፂገንኦ። ሕብረት ኣውሮጳ ኣስታት 40 ሚእታዊት ጋዝን 30 ሚእታዊት ነዳድን ካብ ሩስያ ከምዝርከብን፡ ቀረባት ሩስያ እንተድኣ ተኾሊፉ ነዚ ዝትክእ ከምዘየለን ይግለጽ። ኣሌክሳንደር ኖቫክ ኣብ ሃገራዊ ተሌቬዥን ሩስያ ቀሪቡ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ \"ኣብ ዕዳጋ ኣውሮጳ ንነዳዲ ሩስያ ብቕልጡፍ ክትካእ ዘይሕሰብ'ዩ\" ኢሉ። \"ዓመታት ክወስድ'ዩ፤ ንኣውሮጳውያን ተጠቀምቲ ድማ ኣዝዩ ክቡር ክኸውን'ዩ። ኣብ መወዳእታ በዚ ሳዕቤን ኣዝዮም ክህሰዩ'ዮም\" ክብል ኣጠንቂቑ። እቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስtር፡ ነቲ ጀርመን ንምድስካል ፍቓድ መስመር ትሕቲ ባሕሪ 'ኖርድ ስትሪም 2' ንዝሃበቶ ውሳነ ኣመልኪቱ፡ ኣብ ነዳዲ ዝግበር እገዳ ሕነ ምፍዳይ ከስዕብ ይኽእል'ዩ ኢሉ። ኖርድ ስትሪም 2፡ ካብ ሩስያዊት ወደብ ሰይንት ፒተርስበርግ ናብ ላብሚን ጀርመን ጋዝ ንምልኣኽ ዝተሰርሐ ብትሕቲ ባሕሪ ባልቲክ ንኣስታት 1200 ኪሎ ሜትር ዝዝርጋሕ መስመር ነዳዲ እዩ። እቲ 10 ቢልዮን ዩሮ ወፃኢ ዝተገበረሉ ፕሮጀክት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም እዩ ተዛዚሙ። ንፍርቂ ወፃኢ እቲ ፕሮጀክት ብመንግስቲ ሩስያ ዝውነን ገዚፍ ኩባንያ ነዳዲ ጋዝፕሮም ክሽፍኖ እንከሎ እቲ ዝተረፈ ፍርቂ ከኣ ከም ሼልን ኤንጂን ዝኣመሰሉ ኩባንያታት ፀዓት ምዕራብ እዮም መዊሎምዎ። እቲ መስመር ነዳዲ ዛጊድ ናይ ስራሕ ፍቓድ ዘይረኸበ ኮይኑ፡ ሩስያ ንተነፀልቲ ዞባታት ምብራቕ ዩክረይን ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃባን ሰራዊታ ምልኣኻን ስዒቡ፡ ጀርመን ፍቃድ ምሃብ ከሊኣቶ። ኣሌክሳንደር ኖቫክ፡ \"ተመሳሳሊ ውሳነ ናይ ምውሳድን ኣብ መስመር ነዳዲ ኖርድ 1 እገዳ ናይ ምንባርን መሰል ኣለና፡\" ክብል ተዛሪቡ። ሩስያ ቀዳመይቲ ኣፍራይት ባህርያዊ ነዳድን ካልአይቲ ኣፍራይት ድፍድፍ ዘይትን ኮይና፡ ዝኾነ ኣብ ልዕሊ ኢንድስትሪ ፀዓት ሩስያ ዝግበር ማዕቀብ ንቁጠብኣ ክጎድኦ ከምዝኽእል ይግለፅ። ዩክረይን፡ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ከምዚ ዓይነት እገዳ ከፅድቓ ክትምሕፀነን'ኳ እንተፀንሐት፡ ጠንቂ ምንሃር ዋጋታት ከይኮውን ተሰጊኡ ኣሎ። ትማሊ ሰኑይ፡ ኣሜሪካ ኣብቲ ሩስያ ናብ ካልኦት ሃገራት እተቕርቦ ነዳዲ ገደብ ንምንባር ዝርርብ ከምዘካየደት ድሕሪ ምግላፃ፡ ኣብ ውሽጢ 14 ዓመታት ንፈለማ ግዜ፡ ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ ናብ 139 ዶላር ክብ ኢሉ። ኣሜሪካ ምስ መሻርኽታ በዚ እገዳ ክትቅፅል ከምትኽእልን 3% ነዳዲ ጥራሕ ካብ ሩስያ ከምትረክብን፡ ማዕኸን ዜና ሮይተርስ ፀብፂቡ። እንተኾነ፡ ጀርመን ነቲ ኣብ ልዕሊ ፀዓት ሩስያ ሰፊሕ እገዳ ምንባር ዝብል ሓሳብ ሰሪዛቶ። ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ስኮላዝ፡ ኣውሮጳ ኣብዚ እዋን ቀረቡ ዘውሕሰሉ \"ካልእ መገዲ\" ስለዘየለ፡ ኣብ ልዕሊ ፀዓት ሩስያ ማዕቐባት ከይንበር \"ብፍላጥ ኢና ናፃ ጌርናየኦ\" ኢሉ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60645767"} {"headline":"ሩስያ ዲፕሎማሰኛታት ሰለስተ ሃገራት ኣውሮጳ ኣባሪራ","content":"ሩስያ ኣብ ፈለማ ናይዚ ሰሙን፡ ንኣሌክሲ ናቫልኒ ብምድጋፍ ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ከም እተሳተፉ ዝገለጸቶም ዲፕሎማሰኛታት ጀርመን፡ ሽወደንን ፖላንድን ኣባሪራ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፡ እቶም ዲፕሎማሰኛታት ኣብ 23 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ \"ዘይሕጋዊ ሰልፊ ተቓውሞ\" ከም እተሳተፉ ሓቢሩ። ሃገራት እቶም ዲፕሎማሰኛታት ከምኡ'ውን ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ነቲ ምስጓግ ኮኒነንኦ ኣለዋ። ኣሌክሲ ናቫልኒ ንፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብምንቃፍ ዝፍለጥ ተቓዋሚ ፖለቲከኛ እዩ። እቲ ምስጓግ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣውሮጳዊ ሕብረት ጆሴፍ ቦረል ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ ኣብ ሞስኮ ድሕሪ ምርኻቡ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት እዩ ተገሊጹ። ብ23 ከምኡ'ውን 31 ጥሪ ንኣሌክሲ ናቫልኒ ንምድጋፍ ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ድሕሪ ምስታፎም፤ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተኣሲሮም እዮም። እቲ ምስጓግ \"ቅንዕና ዘይብሉ\" ምዃኑ ዝገለጸት ጀርመን፤ ሩስያ ዳግመ ግምት እንተዘይጌራ \"ብዘይምላሽ ከም ዘይሓለፍ\" ሓቢራ። ናታ ዲፕሎማት ኣብቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምስታፉ ዝገልጽ ሓበሬታ መሰረት ዘይብሉ እዩ ዝበለት ሽወደን'ውን ግቡእ ምላሽ ናይ ምሃብ መሰላ ኣብ ቦትኡ ከም ዘሎ ገሊጻ። ፖላንድ ብወገና እቲ ናይ ምስጓግ ስጉምቲ \"ኣብ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ንዘሎ ቅልውላው ዘዕርግ\" እዩ ኢላ። ጆሴፍ ቦሬል ንኣውሮጳዊ ሕብረት ወኪሉ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ \"ነቲ ውሳነ ኣዝዩ ከም ዝኹንኖን እቶም ዲፕሎማሰኛታት ምስ መዝነቶም ኣብ ዘይመጣጠን ንጥፈታት ተሳቲፎም ንዝብል ክሲ'ውን ከም ዝነጽጎን\" ሓቢሩ። ሰርጌ ላቭሮቭ ግና፡ ብምኽንያት ኣተሓሕዛ ናቫልኒ፡ ብኣውሮጳዊ ሕብረት ዝውሰድ ናይ እገዳ ስጉምቲ ሕጋዊ ከም ዘይከውን ተዛሪቡ። ጀርመንን ፖላንድን ንኣምባሳደራት ሩስያ ብምጽዋዕ ኣብቲ ምስጓግ ዘለወን ዕቃበታት ከም ዝገለጻሎም ሓቢረን። ኣሌክሲ ናቫልኒ መን እዩ? ወዲ 44 ዓመት ፖለቲከኛ ናቫልኒ ካብ 2011 ጀሚሩ፡ ኣንጻር ብልሽውና ፕረዘዲንት ፑቲን ብምጉስጓስ ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ኣብ ምብራቓዊ ሩስያ ተመሪዙ ንሕክምና ናብ ጀርመን ተወሲዱ። ክእሰር ምዃኑ መንግትቲ ሩስያ ወላ'ኳ እንተኣጠንቐ፡ ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ጥሪ፡ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ። ኣብ 2014 ተወንዚፉ ብዝጸንሐ ብይን፡ ንሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ከም ዝእሰር ኣኽበርቲ ሕጊ ገሊጾም። ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝጸንሖ ግዜ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ብይን ብሓደ ዓመት ከም ዝጎደለ'ውን ተገሊጹ። ፑቲን ነታ ሃገር ብብልሽውና ይመርሓ ከም ዘሎን፡ ናይቲ ብምምራዝ ዝተፈጸሞ ፈተነ ቅትለት ተሓታቲ ምዃኑን ናቫልኒ ይኸስስ። ናብ ሩስያ ድሕሪ ምምላሱ ብዩትዩብ ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ፡ ካብ ሓደ ሩስያዊ ቢልዮነር ንፑቲን ዝተለገሰ ምዃኑ ዝገለጾ ናይ ሓደ ዓቢይ ቪላ ምስሊ ዘርጊሑ። ፑቲን ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ግና ወናኒ ናይቲ ቪላ ምዃኑ ንዝገልጽ ክሲ ነጺግዎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣርካዲ ሮተንበርግ ዝተባህለ ንፑቲን ቀረባ ዝኾነ ቢልዮነር፡ ነቲ ቪላ ቅድሚ ክልተ ዓመት ከም ዝዓደጎ ተዛሪቡ። ናቫልኒ ኣብቲ ቀሪብሉ ዘሎ ክሲ: ምንእኣስ ገዳይም ካልኣይ ኲናት ዓለም ብዝምልከት ለካቲት 12 ናብ ቤትፍርዲ ክቐርብ እዩ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55961271"} {"headline":"ኣብ ጀርመንን ቤልጅምን ዋጋ ቢልዮናት ዶላራት ዝትመን ሓሺሽ ተታሒዙ","content":"ሰብ መዚ ግምሩክ ጀርመንን ቤልጂምን ናብ ሆላንድ ክኣቱ ኣብ መገዲ ዝነበረ ልዕሊ 23 ቶን ሓሺሽ ከም ዝረኸቡ ገሊጾም። እዚ ብሰብ መዚ ግምሩክ ጀርመንን ቤልጂምን ዝተታሕዘ 23 ቶን ሓሺሽ ዋግኡ ቢልዮናት ዶላራት ዝትመን ኮይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ክንድ'ዚ ብዝሒ ሓሺሽ ኣብ ሓደ ግዜ ተታሒዙ ኣይፈልጥን። ሰብ መዚ ግምሩክ ጀርመን 16 ቶን ሓሺሽ ኣብ ሓሙሽተ ናይ መርከብ ኮንተይነር ተጻዒኑ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ካብ ፓራጓይ ተበጊሱ ኣብ ወደብ ሃምቦርግ ምስ በጽሐ እዮም ሒዘሞ። ብጀካ እዚ ኣብ በልጅም ወደብ ኣንትወርፕ'ውን ናብ ሆላንድ ክኣቱ ተዳልዩ ዝነበረ 7.2 ቶን ሓሺሽ ከም ዝተታሕዘ ፖሊስ ቤልጂምን ንፖሊስ ሆላንድ ኣፍሊጦም። ምስቲ ናብ ሆላንድ ክኣቱ ኣብ መገዲ ዝነበረ'ሞ ዝተታሕዘ ሓሺሽ ብዝተሓሓዝ ወዲ 28 ዓመት መንእሰይ ኣብዚ ምስግጋር ዘይሕጋዊ ሓሺሽ ኢድ ኣለዎ ብምባል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ፖሊስ ኔዘርላንድ ብረቡዕ ኣፍሊጡ። እቲ ኣብ ወደብ ቤልጂም ዝተታሕዘ ሓሺሽ ካብ ፓናማ ዝተበገሰ ኮይኑ ኣብ ውሽጢ ኮንተይነር ብምሩጽ ጠዋሉ ተሸፊኑ እዩ ጸኒሑ። እቲ ናብ ጀርመን ዝኣተወ ሓሺሽ'ውን ጀርመን ካብ ፓራጓይ ትጠልቦ ኣብ ታኒካ ዝተዓሸገ ሕብሪ፡ ነቲ ሕብሪ ብምውጻእ ኣብ ውሽጡ ነቲ ሓሺሽ ኣእትዮም ኣብ ኮንተይነር ዓሺጎም ናብ ወደብ ከም ዘእተውዎ ሰብ መዚ ግምሩክ ጀርመን ኣፍሊጦም። ሰብ መዚ ግምሩክ ጀርመን ጥርጣርታት ምስ ኣሕደሩ ንኹሉ እቲ ኮንተይነራት ብምውራድ ምስ ፈተሽዎ 1700 ታኒካታት ናይ ሕብሪ ብሓሺሽ መሊኡ ጸኒሕዎም። ሓላፊ ግምሩክ ወደብ ሃምቦርግ ሬን ማት ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል \"እዚ 16 ቶን ካብ 1.8 ቢልዮን ክሳብ 4.2 ቢልዮን ዶላር እዩ ዝግመት\" ኢሉ። ወደብ ሃምቦርግ ብግዝፉን ዝህቦ ኣገልግሎትን ኣብ ኣውሮጳ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዝስራዕ ወደብ እዩ። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ'ውን 11.5 ቶን ሓሺሽ ካብ ደቡብ ኣመሪካ ኣብ ውሽጡ ሓጻውን ተዓሺጉ ናብ ወደብ ኣንትወሬብ ክኣቱ ከም ዝተተሓዘ ይዝከር። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣስታት 102 ቶን ሓሺሽ ናብ ኣውሮጳ ክኣቱ ከም ዝተተሓዘ ጸብረጻባት ይሕብሩ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56192293"} {"headline":"ቅልውላዉ ኢትዮጵያ-ትግራይ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት ንኢትዮጵያ ክህቦ ዝሓሰበ 110 ሚልዮን ዶላር ኣቋሪጽዎ","content":"ሕብረት ኣውሮጳ፡ ምስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ግጭት ብዝተሓሓዝ ንኢትዮጵያ ክህቦ መዲቡ ዝነበረ ናይ 90 ሚልዮን ዩሮ (110 ሚልዮን ዶላር) ባጀታዊ ደገፍ ከምዘቋረጾ ኣፍሊጡ። ኣፈኛ ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ ኣና ፒሶነሮ-ሄርናንደዝ ንቢቢሲ ከም ዝሓበረቶ፡ እቲ ሓገዝ ክወሃብ እንተኾይኑ፡ እዞም ዝስዕቡ 5 ቅደመ-ኩነታት ክማልኡ ኣለዎም ኢላ፡ እቲ ውሳነ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ \"ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ሰብኣዊ ፕሮግራማት ይኹን ናይ ልምዓት ተግባራት ኣይትንክፍን'ዩ\" ክትብል እታ ኣፈኛ ጠቒሳ። ሰራዊት መንግስቲ፡ ካብ 4 ሕዳር ጀሚሩ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ወታሃደራዊ ስርሒታት ከካይድ ምጽንሑ ይፍለጥ። ኣብቲ ኲናት፡ ኣማኢት ወይ ኣሽሓት ዝቐጸሩ ሰባት ተቐቲሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት። ልዕሊ 50, 000 ካብቲ ክልል ዝሃደሙ ሰባት ኣብ ሱዳን ተዓቑቦም ኣለዉ። እቲ ግጭት ኣብ ውሽጢ'ቲ ክልል'ውን ሰፊሕ ምፍንቓል የስዕብ ምህላዉ ጸብጻባት ይገልጹ። ኣስታት 100,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት'ውን፡ ሰባዊ ረዲኤት ተሓሪምዎም ኣብ መዓስከራት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ይርከቡ ኣለዉ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55338339"} {"headline":"ኖርወይ፡ ድሕሪ 9 ዓመታት ኣብ ገዝኡ ሞይቱ ዝተረኸበ ሬሳ ሓደ ሰብ ሕቶታት ኣለዓዒሉ","content":"ኣብ ኖርወይ ኣብ ቤቱ ሞይቱ ድሕሪ ትሽዓተ ዓመት ዝተረኸበ ሬሳ ሓደ ውልቀሰብ፡ ሕቶታት ከምዘለዓዓለሉ ፖሊስ እታ ሃገር ሓቢሩ። እቲ ኣብ 60ታት ዝርከብ ውልቀሰብ፡ ካብ ዝመውት ትሽዓተ ዓመታት እኳ እንተቑጸረ፡ ምሟቱ ከይተፈለጠ እዩ ጸኒሑ። ፖሊስ ኖርወይ፡ ንማዕከን ዜና ኤንኣርኬ ከምዝሓበሮ፡ እዚ ሬስኡ ድሕሪ ትሽዓተ ዓመታት ኣብ መንገሪ ገዝኡ ዝፀንሐ ውልቀሰብ፡ ጠፊኡ ወይ ንኽንድዚ ዓመታት ኣይተረኣየን ዝብል ጥርዓን ከምዘይበጽሖ ኣፍሊጡ። ፖሊስ: ሬሳ ናይቲ ውልቀ ሰብ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ከተማ ኦስሎ እዩ፡ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ረኺብዎ። ማዕከን ዜና ኤንኣርኬ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ሬሳ ወናኒ እቲ ብዙሕ ሰብ ዝነብረሉ ዓቢ ህንጻ ጽገናታት ክገብረሉ ኢሉ ናብቲ ገዛ ምስ ኣተወ እዩ፡ ነቲ ሬሳ ረኺብዎ። ፖሊስ ኣብቲ ጥቃ እቲ ሬሳ ዝተረኸበ ናይ ጸባ ጎማታትን መዋቲ ዝተለዋወጦ ደብዳቤታትን ብምርኣይ፡ እቲ ውልቀ ሰብ፡ ኣብ ሚያዝያ 2011 ከምዝሞተ ከረጋግጽ ከምዝኸኣለ ገሊጹ ኣሎ። ሓለፊ ምርመራ ገበን ፖሊስ ከተማ ኦስሎ ግሬት ሊየን ንዜና ኤንኣርኬ ከምዝሓበሮ፡ “ኣነን መሳርሕተይን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝተፈላለየ መርመራታት ገበን ገይርና ኢና፡ እዚ ግን ፍልይ ዝበለ’ዩ፡ እዚ ውልቀሰብ ንኽንድዚ ዓመታት ከመይ ኢሉ ከምዝሞተ ወይ ከምዝጠፈአ ከይተፈለጠ ጸኒሑ ዝብል ሕቶ ዘልዕል እዩ” ኢሉ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኣስከሬን ብዝተገበረ መርመራ፡ እቲ ውልቀሰብ ብተፈጥሮኣዊ ሕማም ከምዝሞተ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ናይ ኖርወይ ምምሕዳር ድሕነትን ጡረታን፡ ካብቲ ውልቀሰብ ዝኾነ መልሲ ስለይረኸበ፡ ካብ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣትሒዙ ናብቲ መዋቲ ዝሰዶ ዝነበረ ናይ ጥሮታ ሰልዲ ምስዳድ ከምዘቋረጾ’ዩ ሓቢሩ። ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ትሽዓተ ዓመታት ሬስኡ ዝተረኸበ ውልቀሰብ ዓሚቕ ኣፍልጦ እኳ እንተዘይሃለወ፡ ማዕከን ዜና ኤንኣርኬ ግን፡ እቲ ውልቀ ሰብ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሓዳር ዝነበረን ከምዝወለደን ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ኣሎ። ፖሊስ ከተማ ኦስሎ “ኣብቲ ገዛ ብዝረኸብናዩ ኣሳእል ምርኩስ ብምግባር፡ እቲ ውልቀ ሰብ ምስ ሰብ ብዙሕ ምሕዋስ ዘይፈቱ ምንባሩ ክንርዳእ ክኢልና ኣለና” ድሕሪ ምባል፡ ነዚ፡ ጎሮባብቲ ናይቲ ዝሞተ ሰብኣይ’ውን ከምዘረጋገጽሉ ሓቢሩ። እዚ ውልቀሰብ ንትሽዓተ ዓመታት ምሟቱ ከይተፈለጠን ብዛዕብኡ ዝሓትት ዘይምርካቡን እታ ብቴክኖሎጂ ካብ ዝማዕበላ ሃገራት እትስራዕ ኖርወይ፡ ሕብረተሰብ ንሓድሕዱ ዘለዎ ምቕርራብ ክሳብ ክንደይ ልሕሉሕ ምዃኑ ዘርኢ’ዩ ተባሂሉ ኣሎ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56687056"} {"headline":"መረጻ ሶርያ፡ ተቓወምቲ 'ላግጺ' ኣብ ዝበሉዎ መረጻ ፕረዚደንት ባሻር ኣልኣሳድ ተዓዊቱ","content":"ኣብ ሶርያ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ፕረዚደንት ባሻር ኣልኣሳድ ዝለዓለ ድምጺ ብምርካብ ተዓዊቱ። በዚ መሰረት ንዝቕጽሉ ኣርባዕተ ዓመታት ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይኑ ክመርሕ'ዩ። ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ሶርያ ሃሙዳ ሳቤህ ፕረዚደንት ኣሳድ 95.1 ሚእታዊት ድምጺ ረኺቡ ከምዝተዓወተ ገሊጹ። ተነሓናሕቱ ዝነበሩ ዓብዱላህ ሳሉም ዓብዱላህ 1.5 ሚእታዊት መሓመድ ኣሕመድ ማሪ ድማ 3.3 ሚእታዊት ድምጺ መረጽቲ ከም ዝረኸቡ'ውን ኣመልኪቱ። ፖለቲካዊ ተቓወምቲ ሶርያ እቲ መረጻ \"ላግጺ'ዩ\" ክብሉ እንከለው፡ ኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን ከኣ ናጻን ፍትሓውን ኣይነበረን ኢለን። ፕረዚደንት ኣሳድ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ ርኢይቶ ምዕራባውያን ሃገራት ንዓና ትርጉም የብሉን ክብል ተዛሪቡ። ቅድሚ 10 ዓመት ኣንጻር ፕረዚደንት ሶርያ ዝተላዕለ ሰላማዊ ናዕቢ፡ ናብ ምሉእ ውግእ ሓድሕድ ድሕሪ ምዕራጉ፡ ኣብቲ ግጭት ልዕሊ 380,000 ሰባት ሞይቶም ሓያሎ ከተማታት ተደምሲሰን፡ ልዕሊ፡ ሽዱሽተ ሚልዮን ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ተሰዲዱ። እቲ ግጭት ቅድሚ ምጅማሩ፡ ብዙሓት ሶርያውያን፡ ኣብ ምሕደራ እቲ ብ2000 ድሕሪ ሞት ኣቡኡ ፕረዚደንት ሓፊዝ ስልጣን ዝተረከበ ፕረዚደንት ባሻር ኣል-ኣሳድ፡ ብሽቕለት ኣልቦነት፡ ብልሽውናን ፖለቲካዊ ዓፈናን የማርሩ ነይሮም። ኣብ መጋቢት 2011 ድማ ደገፍቲ ደሞክራሲ፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ብዝተላዕለ ህዝባዊ ናዕቢ ተደፋፊኦም ኣብ ደቡባዊት ከተማ ደርዓ ኣንጻር ጨቛኒ ስርዓት ናዕቢ ኣለዓዒሎም። መንግስቲ ሶርያ ነቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ንምጭፍላቕ ሓይሊ ምስ ተጠቕመ፡ ፕረዚደንት ኣሳድ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝጠልብ ተቓውሞታት ኣብ መላእ ሃገር ተላዒሉ። እዚ ናይ ሕጂ መረጻ መንግስቲ ኣብ ዝተቖጻጸረን ቦታታት ጥራሕ'ዩ ተኻይዱ። ብተወሳኺ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዝርከቡ ኤምባሲታት ዝተራእየ መስርሕ መረጻ ነይሩ። ተቓወምቲ ኣብ ዘመሓድሩዎ ዞባ ኢድሊብ ነቲ መረጻ ዝተቓወሙ ዜጋታት ናብ ኣደባባይ ወጺኦም'ዮም። ወዲ 55 ዓመት ባሻር ኣልኣሳድ ካብ ኣቡኡ ዝወረሶ ስልጣን ንዝሓለፉ 21 ዓመታት ሒዙዎ'ሎ። ኣቡኡ ሓፉዝ ኣል ኣሳድ ነታ ሃገር ን25 ዓመታት ብምልኪ ምስ መርሐ'ዩ ንወዱ ኣረኪብዎ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57264947"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ክታበት ኦክስፈርድ-ኣስትራዘኒካ ‘ውሑስን ኣድማዕን ክታበት'ዩ’ ይብል ሕብረት ኣውሮጳ","content":"ሕብረት ኣውሮጳ ኣስትራዘኒካ ዝተበሃለ ክታበት ኮሮናቫይረስ ውሑስን ውጽኢታውን ከምዝኾነ ገሊጹ። ትካል ምቁጽጻር ኣፋውስ ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ብኦክስፎርድ -ኣስትራዘኒካ ዝፈረየ ክታበት ኮሮናቫይረስ \"ውሑስን ውጽኢታውን\" ምዃኑ ከምዘረጋገጸ ኣፍሊጡ። እቲ ትካል፡ ነቲ ሓሓሊፉ ዘጋጥም ዘሎ ምርጋእ ደም ምስቲ ክታበት ዘለዎ ርክብ ንምፍላጥ ከካይዶ ዝጸንሐ መጽናዕቲ ክቕጽሎ ምዃኑ ሓቢሩ'ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን፡ 13 ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ክታበት ምሃብ ድሕሪ ምቁራጸን'ዩ፡ እቲ ትካል ውጽኢት መጽናዕቱ ኣቕሪቡ። ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሃገራት ነቲ ክታበት ምሃብ ክቕጽላ ጸዊዑ'ሎ። ነቶም ዝለዓሉ ዘለዉ ስግኣታት መሰረት ብምግባር ኣብቲ ክታበት ናቱ ዳግመ መጽናዕቲ ዘካየደ ሕቡራት ሃገራት ውጽኢቱ ጽባሕ ዓርቢ ወግዓዊ ክገብር'ዩ። ኣብዚ እዋን'ዚ ብዙሓት ሃገራት ኣውሮጳ ነቲ ብዝለዓለ መጠን እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ተጸጊመን ይርከባ። ክታበት ደው ናይ ምባል ውሳነ ዝተፈላለያ ሃገራት ምስቲ ኣቐዲሙ ዘጋጥም ዝነበረ ሕጽረት ቀረብ ክታባት ተደሪቡ ሻቕሎት ፈጢሩ'ሎ። ትካል መድሃኒታት ኣውሮጳ ምስቲ ኣብ ደም ዝተረኣየ ዘይተለመደ ጸገም ብዝተሓሓዝ ንዘካየዶ መጽናዕቲ ውሑዳት ተርእዮታት ጥራይ እዩ መርሚሩ። ዋና ዳይረክተር ናይቲ ትካል ኢመር ኩክ ብሓሙስ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ክታበት ኣስትራዘኒካ 'ውሑስን ኣድማዒን ክታበት'ዩ' ኢላ። ሃገራት ኣውሮጳ እንታይ ወሲነን? ክሳብ ሕጂ 13 ካብ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ እቲ ክታበት ንኸይወሃብ ኣጊደን ኣለዋ። ናይዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ገለ ነቲ ክታበት ዝወሰዱ ሰባት ደም ናይ ምርጋእ ጸገም ጥዕና ስለዝተረኣየ እዩ። ጀርመን፣ ፈረንሳን ጣልያንን ድማ እቲ ክታበት ደው ንኽብል ዝወሰንኦ ውሳነ ከቐጽልኦን ዘይከቐጽልኦን ንምድምዳም ንውጽኢት እቲ ትካል'የን ክጽበያ ጸኒሐን። ኣቐዲመን ደው ንኽብል ዝወሰናሉ ምኽንያት ከኣ \"ንቕድመ ጥንቃቐ\" ብዝብል ከምዝኾነ ሓቢረን። በዓል ሞያ ጥዕናን መራሒ ቦርድ ኣማኻሪ መንግስቲ ፈረንሳን ኣላይን ፊስችር \"ናብቲ ደው ናይ ምባል ውሳነ ንኽንበጽሕ ዝገበሩ ውሑዳት ዘይተለመዱን ኣሸገርትን ጸገማት ጥዕና ነይሮም\" ክብል የረድእ። መንግስቲ ጀርመን ብወገኑ፡ ካብ ሞንጎ ነቲ ክታበት ዝወሰዱ ሰባት ኣብ ዝተወሰኑ ጸገም ምርጋእ ደም ክረኣይ ምኽኣሉ እቲ ክታበት ደው ንኸብል ከምዝተገደደ ይሕብር። ትካል ኣፋውስ ኣውሮጳ ንውጽኢት መጽናዕቱ ወግዓዊ'ኳ እንተገበረ ሃገራት ግን ነቲ ሓበሬታ ክስዕብኦ ድየን ዕሽሽ ክብልኦ ብሕጂ ዝረአ ክኸውን'ዩ። ሃገራት እቲ ዝወሃብ ዝነበረ ክታበት ደው ክብል ዘሕለፍኦ ውሳነ ብፖለቲከኛታትን ተመራመርትን ነቐፌታታት ክቐርበሉ ጸኒሑ'ዩ። ኣስትራዘኒካ እንታይ ይብል? እቲ ኩባንያ ስትራዘኒካ ከምዝብሎ እንተኾይኑ፡ እቲ ክታበት ምርጋእ ደም ክውስኽ ይገበር ኣሎ ንዝብል መደምደምታ ዝኾነ ዓይነት ጭብጢ የለን። ክሳብ 8 መጋቢት ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ሕብረት ኣውሮጳን ብሪጣንያን ልዕሊ 17 ሚልዮን ሰባት ከምዝተኸተቡ ብምዝኽኻር፡ ዛጊት ምስ ምርጋእ ደም ብዝተሓሓዝ ዝቐረቡ ጥርዓናት 37 ጥራይ ከምዝኾኑ ገሊጹ። ቢቢሲ ዘዘራረቦ ዳይረክተር ጉጅለ ክታበት ኦክስፎርድ (ነቲ ክታበት ዘፍረየ ጉጅለ) ፕሮፌሰር ኣንድሪው ፖላርድ \"ኣብታ ኣብ ኣውሮጳ ዝበዝሐ ክታበት [ኦክስፈርድ-ኣስትራዘኒካ] ዝተዋህበላ ብሪጣንያ ክስተት ምርጋእ ደም ከምዘየለ ዘረጋግጽ ዘተኣማምን ጭብጢ'ዩ\" ክብል ተዛሪቡ። ሓላፊ ጥዕና ብሪጣንያ ማት ሃንኮክ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ'ውን፡ \"ሰባት ንኪኢላታት ክሰምዑን ነቲ ክታበት ክወስዱን\" ጸዊዑ ነይሩ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56450307"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ መጠን መልከፍቲ ኣብ ዝበዝሓ ካብተን ልዕሊ 50 ሃገራት ኣውሮጳ ይውስኽ ኣሎ","content":"ሃገራት ኣውሮጳ ክታበት ኮቪድ-19 ንህዝበን ኣብ ምሃብ \"ኣዝየን ምድንጓየን ቅቡል ኣይኮነን\" ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም ነቒፉ። ኩነታት ናይቲ ለበዳ ኣብቲ ኣህጉር ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ እናኸፍአ ከምዝኸደ ዝገለጸ እቲ ውድብ፡ እቲ ናይ ክታበት ወፍሪ ምዝሓሉ፡ ንህላወ ናይቲ ለበዳ ኣብተን ሃገራት ከናውሖ ከምዝኽእል፡ ኣብቲ ውድብ ዳይረክተር ዞባ ኣውሮጳ፡ ሃንስ ክሉገ ኣጠንቂቑ'ሎ። ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዝተጀመረ ወፍሪ ክታበት፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ከም ዝተዳናጎየን፡ መጠን መልከፍቲ ይውስኽ ከምዘሎን ጸብጻባት ይገልጹ። \"ካብቲ ለበዳ ንምውጻእ፡ ክታበት እቲ ዝሓሸ ዘለና መንገዲ'ዩ… ይኹን እምበር፡ ወፍሪ ናይቲ ክታበት ኣዝዩ ምዝሓሉ ቅቡል ኣይኮነን\" ክብል ሃንስ ክሉገ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሻቕሎቱ ገሊጹ። \"ምፍራይ ክታበታት ብምዕባይ፡ ነቲ ክታበት ኣብ ምሃብ ንዘሎ ዕንቅፋታት ብምእላይን፡ ከም ትሕጃ ዝሓዝናዮ ኩሉ ብልቃጣት ብምጥቃምን ነቲ መስርሕ ከነቃላጥፎ ኣለና\" ኢሉ። እንተዘይኮይኑ ብሰንኪ ትሑት ክታበት፡ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ዕጽዋታትን ካልኦት እገዳታትን ክገብራ ክግዳዳ ምዃነን ተዛሪቡ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሩስያ ኣብ እትርከበን ልዕሊ 50 ሃገራት ኣውሮጳ፡ ልዕሊ 1.6 ሚልዮን ሰባት ክልከፉ እንከለዉ፡ ኣስታት 24,000 ከምዝሞቱ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ። ዛጊት 10 ሚእታዊት ናይቲ ኣስታት 900 ሚልዮን ዝበጽሕ ህዝቢ ናይታ ኣህጉር ጥራይ'ዮም ሓንሳብ ተኸቲቡ ዘሎ። ኣብቲ ዞባ ክሳብ ሕጂ፡ ኣስታት 45 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ምህላዎም ይግለጽ። ነቲ ለበዳ ንምክልኻል፡ 27 ካብተን ልዕሊ 50 ሃገራት ከፊላዊ ወይ ምሉእ ዕጽዋ ኣዊጀን ዝነበራ'የን። ጠንቂ ናይቲ ምድንጓይ ክታበት፡ ሕብረት ኣውሮጳ ምስ ትካላት መፍረ ክታበታት ዝነበሮ ናይ ውዕል ምስሕሓብ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ምፍራይን ምምቕራሕን ዝነበረ ጸገማት ምዃኑ ይንገር። ብዘይካ'ዚ፡ ሓያሎ ሃገራት ኣብ ጎናዊ ሳዕቤን ናይቲ ብኦክስፈርድ ዩኒቨርሲቲን ኩባንያ ኣስትራዘኒካን ዝፈረየ ክታበት ብዝነበረን ስክፍታ፡ ክታበት ደው ኣቢለን ነይረን። ክታበት ኦክስፈርድ-ኣስትራዘኒካ፡ ምርጋእ ደም የስዕብ'ዩ ዝብል ሻቕሎት ፈጢሩ'ኳ እንተነበረ፡ ትካል ምቁጽጻር ምድሃኒታት ሕብረትኣውሮጳ ግን፡ ጭብጢ ከምዘይረኸበ ብምግላጽ፡ ሃገራት ክጥቀማሉ ከምዝኽእላ ምውሳኑ ይዝከር። ኣብ ፈረንሳ፡ ፕረዚደንት ኢማኑዌል ማክሮን፡ ትማሊ ረቡዕ ሓድሽ እገዳታት ኣዊጁ'ሎ። ካብ ቀዳም ጀሚሩ'ውን ንክልተ ሳምንቲ ዝጸንሕ ከፊላዊ ዕጽዋ ክጅመር'ዩ። ኣብያተ-ትምህርቲ እታ ሃገር'ውን ንሳልሳይ ግዜ ተዓጽየን ክጸንሓ ተወሲኑ'ሎ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ጀርመን መጠን መልከፍቲ ይውስኽ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ኣስታት 35,000 ጀርመናውያን ሓካይም ከኣ ኣብ ናይ ውልቂ ትካላቶም ክታበት ክህቡ ምድላዋት ይገብሩ ኣለዉ። ኣብ ቤልጁም'ውን መጠን መልከፍቲ ብምውሳኹ፡ እገዳታት ክግበር'ኳ ተሓሲቡ እንተነበረ ቤት ፍርዲ ብራስለስ ኩሎም እገዳታት ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ክለዓሉ ኣዚዙ'ሎ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56607619"} {"headline":"ኲናት ትግራይ፡ ኢትዮጵያ ንፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ ፐካ ሃቪስቶ ከም 'እሙን ሞንጎኛ' ከምዘይትቕበሎ ገሊጻ","content":"ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ ንባይቶ ኣውሮጳ ዝሃቦ መግለጺ ከምዘይትቕበሎ ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፊንላንድ ዝኾነ ፐካ ሃቪስቶ፡ ብዛዕባ ግጭት ትግራይ ኣመልኪቱ ንባይቶ ኣውሮጳ ዝሃቦ መብርሂ \"ዘይሓላፍነታውን ዘይዲፕሎማስያውን\" እዩ ክብል ነቒፉ። እቲ ፍሉይ ልኡኽ፡ ብ15 ሰነ ካብ ኮሚተ ዝምድናታት ወጻኢ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ገለ ላዕለዎት መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ \"'ተጋሩ ን100 ዓመታት ከነጥፍኦም ኢና'\" ከምዝበልዎ ተዛሪቡ። \"ኣብ ወርሒ ለካቲት ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተራኸብኩሉ፡ ከምዚ ዓይነት ቋንቋ ተጠቒሞም . . .ንተጋሩ ንሚእቲ ዓመት ከጥፍእዎም ምዃኖም . . .እዚ ንዓይ ከቢድ ግፍዕታት ሰባዊ መሰላት ገበናትን'ዩ። ንውሑዳን ናይታ ሃገር ኣጥፊእካ፡ ህዝቢ ምሉእ ከተብርስ ኣይትኽልን ኢኻ። እዚ ንዓና ምጽናት ብሄር'ዩ ዝመስል\" ኢሉ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ኣገላልጻ ናይቲ ፍሉይ ልኡኽ \"ፍጹም ዝተሰንዐ፡ ዘይሓላፍነታዊ፡ ዘቖጥዕን ዘይዲፕሎማስያውን'ዩ\" ብምባል ተቓውምኡ ገሊጹ'ሎ። \"መግዛእታዊ ቃናን ልዕልናን ዘለዎ ምዃኑ ቅሉዕ ኮይኑ'ሎ። ነዚ ድማ ህዝቢን መንግስትን ኢትዮጵያ ፈጺሞም ኣይክቕበልዎን'ዮም\" ዝበለ እቲ ሚኒስትሪ፡ \"መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሃቪስቶ፡ ከም እሙን መንጎኛ ክቕበሎ\" ከምዝጽገም ኣፍሊጡ። እቲ ወኪል ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ኲናት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ፡ ምቁራጽ ተጻብኦታት ተኻይዱ: መንግስቲ ኢትዮጵያ \"ምስ ተቓወምቲ ትግራይ\" ንክዘራረብ ክጽውዕ ከምዝጸንሐ ምዝራቡ'ውን ንኢትዮጵያ ኣቖጢዕዋ'ሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ \"ዋህዮ\" ክብል ዝገለጾ ህወሓት \"ኣብ ትግራይ ዘሎ ተቓዋሚ [ሰልፊ] ዘይኮነ፡ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብሕገመንግስታዊ መስርሕ ኣሸባሪ ተባሂሉ ዝተኣወጀ እዩ\" ብምባል ምስኡ ክዘራረብ ድልው ከምዘይኮነ ገሊጹ። ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሶማልያን: ካብ ኢጋድ ወጻኢ ተፈጢሩ ዘሎ \"ስሉስ ኩርናዕ\" ክብል ዝገለጾ ዞባዊ ሽርክነት \"ንካልኦት ሃገራት ናይቲ ዞባ ባህ ዘየበለ'ዩ\" ክብል'ውን ፍሉይ ልኡኽ ሃቪስቶ ተዛሪቡ። ምስ ኣማኸርቲ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሰሙናዊ ርክባት ከካይድ ከምዝጸንሐ ዝገለጸ ፊንላንዳዊ ሃቪስቶ፡ እታ ሃገር ካብ ተነጽሎ ትወጸሉ ኩነታት ንምፍጣር ክሰርሕ ከምዝጸንሐን፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእን በቲ ኣብ ትግራይ ፈጺምዎ ዝበሎ ግፍዕታት ክሕተትን ፖለቲካዊ ጸቕጢ ከምዘሐይሉ ተዛሪቡ። መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ዝቐርብ ክስታት ክትነጽጎ ምጽንሑ ይፍለጥ። እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ዓጸቦ፣ ሰፊሕ ምፍንቓልን ስደት ልዕሊ 60,000 ሰባትን ከምዘስዓበ ይፍለጥ። ኣብቲ ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ውግኣት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት። ልዕሊ 5 ሚልዮን ህዝቢ እቲ ክልል'ውን ተጸባዪ ረዲኤት ከምዝኾነ ጸብጻባት ትካላት ረዲኤት የመልክቱ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57534074"} {"headline":"ቅልውላዉ ትግራይ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ገበናት ኵናት ተፈጺሙ ከይኸውን ስክፍትኡ ገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ገበናት ኵናት ተፈጺሙ ክኸውን ከምዝኽእል ሕብረት ኣውሮጳ ስክፍትኡ ገሊጹ። ኣብ ክልል ትግራይ ሰባት ብሰንኪ ብሄሮም ይቕተሉ ከምዘለዉን ገበናት ኵናት ተፈጺሞም ክኾኑ ከምዝኽእሉን ዝገልጽ ጸብጻባት ይበጽሖ ከምዘሎ እቲ ሕብረት ኣፍሊጡ። ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ንመዓስከራት ሰራዊት ፈደራል ድሕሪ ምቁጽጻሮም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ነቲ ኣብቲ ክልል ስልጣን ሒዙ ዝነበረ ውድብ ህወሓት ንምልጋስ ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ፈንዮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ወርሒ ኣብቲ ኵናት ከምዝተዓወተ'ኳ እንተገለጸ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ግን እቲ ኩነታት ሕማቕ ከምዘሎ ገሊጹ'ሎ። እቲ ግጭት፡ ምርግጋእ እቲ ዞባ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ምዃኑ'ውን እቲ ሕብረት ኣጠንቂቑ'ሎ። መንግስቲ ናይቲ ሽልማት ኖበል ሰላም ዝተዋህበ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ነቲ \"ገበነኛ ጉጅለ\" ንምሓዝ ዝተመጣጠነ ሓይሊ ብምጥቃም ሕግን ስርዓትን ንምኽባር ወታሃደራዊ ስጉምቲ ከምዝወሰደ'ዩ ዝምጉት። ካብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ፡ ነቶም ዝድለዩ ዘለዉ መራሕቲ ህወሓት ንምርካብ ስርሒታት ይካየድ ምህላዉ ይፍለጥ። ይኹን'ምበር ሰራዊት ፈደራል ንከተማ መቐለ ድሕሪ ምቁጽጻሩ መራሕቲ ህወሓት ቃልሶም ከምዝቕጽሉ ኣፍሊጦም ነይሮም። \"ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ኪኖ ውሽጣዊ ናይ 'ሕግን ስርዓትን ስርሒት'ዩ\" ክብል ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሰፕ ቦረል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ተዛሪቡ። \"ብሄር መሰረት ዝገበረ ጎነጽ፣ ቅትለታት፣ ሰፊሕ ዝምታ፣ ጾታዊ ዓመጽ፣ በስገዳድ ስደተኛታት [ናብ ኤርትራ] ምምላስን ተኽእሎ ገበናት ኵናትን ከምዝተፈጸሙ ዝገልጹ ንሓድሕዶም ዝቃደዉ ጸብጻባት ይበጽሑና ኣለዉ\" ኢሉ። ዋላ'ኳ ልዕሊ 2.2 ሚልዮን ህዝቢ እቲ ክልል ካብ ኣባይቱ ተፈናቒሉ ህጹጽ ሓገዝ ዘድልዮ እንተኾነ፡ ናብቲ ክልል ምእታው ተደሪቱ ምህላዉ ቦረል ገሊጹ። እቲ ሕብረት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ትግራይ ክኣቱ ክሳብ ዘፍቅድ ነታ ሃገር ክህቦ መዲብዎ ዝነበረ ናይ 106 ሚልዮን ዶላር ባጀታዊ ሓገዝ ደው ከምዘብሎ ድማ ሓቢሩ። ህዝቢ ትግራይ 6 ሚእታዊት ናይቲ ልዕሊ 110 ሚልዮን ዝበጽሕ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ። ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ወታሃደራዊ ስርሒታት ከምዝተሳተፈ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ጆሰፕ ቦረል ጠቒሱ'ሎ። መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ግን ነዚ ክነጽግዎ ምጽንሖም ይፍለጥ። ወተሃደራት ኤርትራ ኣብቶም ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ብትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝካየዱ መዓስከራት ብምእታዉ ብሓይሊ ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ከምዝወሰዱ ይኽሰሱ። ኣስታት 100 ሽሕ ኤርትራውያን ካብቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ፖለቲካዊ ምስዳድን ግዱድ ገደብ-ኣልቦ ወታሃደራዊ ዕስክርናን ሃዲሞም ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከቡ 4 መዓስከራት ተዓቚቦም ምጽንሖም ይፍለጥ። ኤርትራ ናጽነታ ካብ እትረክብ ጀሚራ ብዘይቅዋም፡ ብሓደ ውድብን ሓደ ፕረዚደንትን እትምራሕ ሃገር'ያ። ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንደ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ናብ መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ክበጽሑ ከምዘይካኣሉ ሓቢሩ ነይሩ። እቲ ቅልውላዉ፡ ንሶማልያን ሱዳንን'ውን ከምዝጸለወን እቲ ኣውሮጳዊ ብዓልስልጣን ሓቢሩ። ኣብ ሶማልያ ሰላምን ጸጥታን ንምውሓስ ተዋፊሮም ዝነበሩ ወታሃደራት ኢትዮጵያ ክወጹ ጀሚሮም ነይሮም። ልዕሊ 56 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ካብቲ ክልል ሃዲሞም ኣብ ሱዳን ተዓቚቦም ኣለዉ። ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያንን ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብ'ውን ናብ ወታሃደራዊ ግጭትን ወጥርን ኣምሪሑ'ሎ። ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ለንደን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ረዲኤት ዘድልዮም ባዕሉ ክሕግዞም ከምዝደሊ ተዛሪቡ። \"ሰብኣዊ ሓገዝ ብዉሑስ፡ ኣድማዒ ስሉጥ ኣገባብ ናብቲ ዝተጸልወ ህዝቢ ንምብጻሕ ዝኽልክሉ ብድሆታት ንምእላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሰብኣውን ልምዓታውን መሻርኽቱ ክተሓባበር ድልው እዩ\" ኢሉ። ከምቲ ኢትዮጵያ ዝሓገዘቶም ሱዳን'ውን መፍትሒ ንምርካብ ክትሕግዝ ከም እትኽእል'ውን ጆሰፕ ቦረል ተዛሪቡ። \"ኩሉ ሳዕ ነቲ 'ኣፍሪቃዊ መፍትሒ ንኣፍሪቃዊ ጸገም' ዝብል ሓሳብ ንድግፎ ኢና። እዞም መፍትሒታት ሕጂ ብህጹጽ ክርከቡ ኣለዎም\" ኢሉ ኣብ መግለጺኡ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55686751"} {"headline":"ሕብረት ኣውሮጳ ነፈርቲ ቤላሩስ ብክሊ ኣየር ኣባል ሃገራት ከይሓልፋ ኣጊዱ","content":"ሕብረት ኣውሮጳ ነፈርቲ ቤላሩስ ብክሊ ኣየር ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ከይሓልፋ ኮነ ማዕርፎ ነፈርቲ ከይጥቀማ ኣጊዱ። ናብዚ ውሳነ ዝበጽሓሉ ምኽንያት ድማ ቤላሩስ ብግዝኣታ ትሓልፍ ንዝነበረት ነፋሪት ርያንኤር ብኣስገዳድ ክትዓልብ ስለ ዝገበረት ከም ዝኾነ ተገሊጹ። መገዲ ኣየር ኣውሮጳ’ውን ናብ ቤላሩስ ክበርር ከምዘይብሉ ይተባባዕ ኣሎ። ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ቤላሩስ ንሓንቲ ናይ ሰለማውያን ነፋሪት ብኣስገዳድ ክትዓልብ ድሕሪ ምግባር ንሓደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ጋዜጠኛ ኣብ ቀይዲ ዘእተወትሉ መገዲ ንጹር ቅዋም እዩ ነይርወን። እንተኾነ ገለ ትካላት መገዲ ኣየራት ሕብረት ኣውሮጳ ንናይ ኣየር በረራ ‘ፖለቲካዊ መልክዕ ኣትሕዙዎ' ክብሉ ይነቕፍዎ። ወዲ 26 ዓመት ሮማን ፕሮታሰቪች ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር 23 ካብ ግሪክ ናብ ሉቲና ይጉዓዝ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ሰበ ስልጣን ቤላሩስ ነታ ንሱ ዝተሳፈረላ ነፋሪት ብጥርጠራ ምፍንጃር ነታጕ ብኣስገዳድ ኣብ ሚኒስክ ክትዓልብ ድሕሪ ምግባሮም እዩ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ። ኣብቲ ግዜ ምስኡ ተሳፊራ ዝነበረት ሕጽይቱ ሶፍያ ሳፔጋ'ውን ክትእሰር ተገዲዳ። እቲ ጋዜጠኛ ትማሊ ዝሕንዝሕ እናነብዐ ናብ ቴሌቭዥን ቀሪቡ ኣንጻር መንግስቲ ቤላሩስ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ይውድብ ከም ዝነበረ ኣሚኑ። ስድርኡን ሓፋሽ ማሕበራትን ግን እቲ ናይ ሮማን ናይ ጣዕሳ ዘረባ ብኣስገዳድን ብሓይለ መልጢ ዝተገበረን እዩ ክብሉ ቅቡል ኣይገበርዎን። ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ቤላሩስ ዘንበሮ ናይ በረራ እገዳታት ካብ ትማሊ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ተግባራዊ ምዃን ዝጀመረ ኮይኑ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ብናይ ቤላሩስ መገድታት ኣየር ንዝውነና ነፈርቲ ብግዝኣተን ከይሓልፋ፣ ኣብ ማዕርፎ ነፈርተን ከይዓልባን ከይብገሳን ረቛሕታት ኣቐሚጡ ኣሎ። መገዲ ኣየር ቤላሩስ ናብ ሚላን፣ በርሊን፣ ፓሪስ፣ ሮምን ቬናን ሓዊስካ ናብ 20 መዓርፎ ነፈርቲ ሕብረት ኣውሮጳ ከም ዝበርር ተገሊጹ። ትካል ድሕነት ኣቭየሽን እቲ ሕብረት ብግድኡ እተን ኣባል ሃገራት ሓደጋ ገጢምዎን እንተዘይኮይኑ እምበር ብክሊ ሰማይ ቤላሩስ ከይጥቀማ ትእዛዝ ኣውሪዱ ኣሎ። እዚ ድማ መዓልታዊ ብግዝኣት ቤላሩስ ንዝሓልፋ ኣስታት 400 ነፈርቲ ጽልዋ ከሕድር ምዃኑ ተሓቢሩ። ብኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ዝውነና ነፈርቲ መእንተ ድሕነት ብዝብል ምኽንያት ክሊ ሰማይ ቤላሩስ ከይጥቀማ ኢልካ እገዳ ምንባር ንኣቭየሽን ኢንዳስትሪ ፖለቲካዊ መልክዕ ምትሓዝ እዩ ክብል ዳይሬክተር ጀነራል ዓለም ለኻዊ መጓዓዝያ ኣየር ዊሌ ዋልሽ ንውሳነ ሕብረት ኣውሮጳ ነቒፍዎ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57368180"} {"headline":"ኣብ ኦክስፎርድ ዝፈረየ ክታበት ኣስትራዘኔካ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ መዓላ ክውዕል ፈቃድ ረኺቡ","content":"ኣብ ኦክስፎርድ ዝማዕበለ ኣስትራዘኔካ ዝተሰመየ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ መዓላ ክውዕል ፍቃድ ረኺቡ። ዓባይ ብሪጣንያዝ ካብዚ ክታበት 100 ሚልዮን ብልቃጥ ኣቐዲማ ኣዚዛ ኣላ፡ እዚ ኸኣ ን50 ሚልዮን ሰባት እኹል እዩ። ጎን ጎኒ እቲ ብፋይዘር ባዩኤንቴክ ዝውሃብ ዘሎ እዚ ናይ ኣስትራ ዘኔካ ተወሲኽዎ ምሉእ ህዝቢ ዓባይ ብሪጣንያ ከኽትብ ዝኽእል ምዃኑ ሰክሬታሪ ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ ማት ሃንኩክ ኣፍሊጡ። ማት ሃንኩክ ነዚ ርኽበት \"ኣዝዩ ወሳኒ ኩነት\" ብምባል'ዩ ገሊጽዎ። ማት ሃንኩክ ምስ ቢቢሲ ብሬክፋስት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት \" ሕጂ ብርእሰ ተኣማንነት ንኹሉ ህዝብና ዘኽትብ ዓቕምን ትሕዝቶን ኣለና ክንብል ንኽእል ኢና\" ኢሉ። ንሱ ብምስዓብ \"ካብዚ ትካል 100 ሚልዮን ብልቓጥ ብምእዛዝና፡ ን50 ሚልዮን ክንከትብ ከኽእለና'ዩ፡ እቲ ካብ ፋይዘር ባዩኤንቴክ ዝተረከብናዮ 30 ሚልዮን ብልቃጥ ኸኣ ን15 ሚልዮን ሰባት ክንከትብ ከኽእለና'ዩ፡ ኩሉ ነዚ ርኢና ኽኣ ንምሉእ ህዝብና ከነኽትብ ዘኽእል'ዩ\" ኢሉ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ቁጽሪ ሓዲሽ መልከፍቲ ብናህሪ ኣብ ዝውስኸሉ ዘሎ'ዩ እዚ ዜና እዚ ዝቃላሕ ዘሎ። ኣብ መላእ ዓባይ ብሪጣንያ ትማሊ ጥራይ 53,135 ሓዲሽ መልከፈቲ ብምምዝጋቡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝለዓለ ዝተመዝገበ ቁጽሪ መልከፍቲ ተባሂሉ ኣሎ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55483629"} {"headline":"ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዘይሕጋዊ ምርሻንን፡ ምስዋርን ስቅያትን ከምዝፈጸመ ሕብረት ኣውሮጳ ከሲሱ","content":"ሕብረት ኣውሮጳ ሎሚ 22 መጋቢት ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ሃገራዊ ትካል ጸጥታ ኤርትራ ዝተፈላለዩ ከበድቲ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ከምዝፈጸመ ብምኽሳስ እገዳ ከም ዘንበረሉ ሓቢሩ። ቤትምኽሪ ናይ ሕብረት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ \"እቲ ብ[ብርጋዴር] ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ዝምራሕ ሃገራዊ ድሕነት መንግስቲ ኤርትራ \"ንዝተፈጸሙ ከበድቲ ሰባዊ መሰላት ተሓታቲ\" ምዃኑ ገሊጹ። \"ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ ዘይሕጋዊ ምርሻን፡ ምስዋር ሰባትን ስቅያትን ብኣባላቱ ተፈጺሞም\" ክብል እቲ መግለጺ ከሲሱ። ኤርትራ፡ እቲ ብቤት-ምኽሪ ሚኒስተራት ናይቲ ሕብረት ዝሓለፈ ውሳነ \"ሃሳዪን ዓንቃጺን\" ክትብል ተቓዊማቶ'ላ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ \"ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ዘሕለፎ ውሳነ ክወስድ ሕጋውን ሞራላውን ስልጣን የብሉን\" ድሕሪ ምባል እቲ ክስታት \"ንካልእ ሃቐነ ተባሂሉ ንኤርትራ ንምስርጣይ ኣብ ዝተሰንዐ ክስታት ተሞርኲሱ\" ዝወሰዶ'ዩ ብምብል ነጺግዎ። እቲ ሎሚ ዝሓለፈ ውሳነ፡ ን11 ውልቀሰባትን 4 ትካላትን ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ንቻይና፡ ሰሜን ኮርያ፡ ሊብያን ደቡብ ሱዳንን'ውን ዝትንክፍ'ዩ። \"እቶም ኣብ መዝገብ ዝሰፈሩ ውልቀሳባትን ኣካላትን፡ ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ዘለዎም ሃብቲ ክድስክል ዝገብር'ዩ\" ክብል እቲ ሕብረት ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ጠቒሱ'ሎ። \"ሕብረት ኣውሮጳ ነዞም ዝተጠቕሱ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ዝኾነ ገንዘብ ከይህብ ተኸልኪሉ ኣሎ።\" ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ብተወሳኺ፡ እቲሕብረት ንህወሓት ናብ ስልጣን ንምምላስ፡ \"ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጽልኢ\" ክፈጥር ይፍትን ኣሎ ክብል ከሲሱ። \"ሕብረት ኣውሮጳ፡ ነቲ ዝፈረሰ ጉጅለ ህወሓት ንምድሓንን ናብ ስልጣን ንምምላስን ብህልኽ ይሰርሕ ኣሎ\" ኢሉ። እቲ ሕብረት ነቲ ኣብ ትግራይ ብምእታዉ፡ ከቢድ ግፍዕታት ከምዝፈጸመ ዝኽሰስ ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ክልል ክወጽእ ብተደጋጋሚ ክጽውዕ ጸኒሑ'ዩ። ኤርትራ ነቲ ብሓይልታታ ተፈጸሙ ዝብሃል ክስታት ይኹን ህላወ ሰራዊታ ኣብ ክልል ትግራይ ክትነጽጎ ምጽንሓ ይዝከር። ኣብ ኤርትራ ላዕለዎት ሚኒስትራት መንግስቲ ዝነበሩ ፖለቲከኛታት ዝርከብዎም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት፡ ብኣባለት ጸጥታ ተታሒዞም ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም ተሰዊሮም ከምዘለዉ ይፍለጥ። ካብዚኣቶም፡ እቶም ኣብ መስከረም 2001 ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ኣባላት ናይቶም ብ\"ጉጅለ-15\" ዝፍለጡ \"ንምልካዊ\" ኣካይዳ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝነቐፉ ላዕለዎት ሚኒስተራትን ጀነራላትን ዝነበሩ ኣባላት ናይቲ ሕጂ ፈሪሱ ዘሎ ሃገራዊ ባይቶ ይርከብዎም። ኣብቲ እዋን ኣብ ቀይይ ዝኣተዉ ጋዜጠኛታት'ውን ክሳብ ሎሚ ተሰዊሮም ምህላዎም ይግለጽ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዘይ ቅዋምን ሃገራዊ ምርጫን ነታ ሃገር ኣስታት 30 ዓመታት መሪሕዋ ኣሎ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ኩሎም \"ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ሓደጋ ዘእተዉ'ዮም\" ብምባል ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዎም'ኳ ክምጉት እተንጸንሐ፡ ወግዓዊ ክሲ ኣይመስረተሎምን፡ ኣብ ዝኾነ ቤት ፍርዲ'ውን ኣየቕረቦምን። ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ጉጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት፡ መንግስቲ ኤርትራ ሰባዊ መሰላት ዜጋታቱ ክግህስ ምጽንሑ ይኸሱ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሕብረት ኣውሮጳን ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና እናሻሕከረ ይመጽእ ምህላዉ ይንገር።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56488589"} {"headline":"ሕብረት ኣውሮጳ ንኤርትራ ዝመደቦ 121 ሚልዮን ዩሮ ንሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ክወሃብ እማመ ኣቕሪቡ","content":"ሕብረት ኣውሮጳ፡ ንኤርትራ ክህቦ ዝመደቦ፡ 121 ሚልዮን ዩሮ፡ ክስረዝን ንሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ክወሃብን እማመ ከምዘቕረበ ንቢቢሲ ትግርኛ ገሊጹ። እቲ ገንዘብ፡ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካውን ቁጠባዊን ለውጥታት ክመጽእ፡ ከምኡ'ውን ኩነታት ሰባዊ መሰላት ክመሓየሽን ንምትብባዕ ዝተመደበ ምንባሩ፡ ኮሚሽን ዓለምለኻዊ ምትሕብባርን ልምዓትን ናይቲ ሕብረት ሓቢሩ። እቲ ገንዘብ፡ ንዝተፈላለየ ፕሮጀክትታት ተባሂሉ ዝጸደቐ'ኳ እንተኾነ፡ መንግስቲ ኤርትራ ከይፈረመሉ ግዜ ብምውሳዱ፡ ናብ ካልእ መዓላ ክሰጋገር ተወሲኑ'ሎ። \"ኣብዚ እዋን'ዚ፡ 8 ካብቶም 9 ክፋላት ናይቲ ኣባላት ሃገራት ዘጽደቐኦ፡ ኣብ ትሕቲ ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ማዕከን ሕድሪ ኣፍሪቃ (EUTF) ንኤርትራ ክወሃብ ዝተመደበ ደገፍ ኣይተተግበረን። \"ምኽንያቱ ድማ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ከየጽደቖ ንኣዋርሕ ተታሒዙ ስለዝጸንሐ'ዩ\" ክብል እቲ ብጽሑፍ ናብ ቢቢሲ ዝተላእኸ ሓበሬታ ጠቒሱ። ኮሚሽን ዓለምለኻዊ ምትሕብባር ብሰኑይ፡ ነቲ ኤርትራ ምፍራም ዝኣበየቶ \"ኣብ ጥቕሚ ዘይወዓለ 121 ሚልዮን\" ክስረዝ ናብቲ ውሳነታት ዝህብ ኮሚቴ ናይቲ ማዕከን እማመ ከምዘቕረበ ተዛሪቡ። እንተኾነ ግን፡ \"ኣባላት ሃገራት ነቲ እማመ ክሰማምዓሉ ኣለወን። ኣብ ቀረባ እዋን ውሳነ ንጽበ\" ክብል ኣብቲ ንቢቢሲ ዝተላእኸ መልሲ ኣነጺሩ። \"ምትእትታው ወተሃደራት ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት'ውን ነቲ ኩነታት መሊሱ ሓላሊኽዎ'ዩ\" ይብል መግለጺ ናይቲ ኮሚሽን። ይኹን እምበር፡ እማመ ምቁራጽ ናይቲ ገንዘብ፡ ቅድሚ'ቲ ናይ ትግራይ ግጭት ምውልዑ'ዩ ተጀሚሩ ኢሉ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብዛዕባ'ቲ ውሳነ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ እቲ ሕብረት \"ብዛዕባ'ቲ ዝፈረሰ ህወሓት ዝፈጸሞ ዓበይቲ ገበናት ማንታ ሓሳብ ዘለዎ'ዩ ዝመስል\" ኢሉ ነይሩ። እንታይ ገበናት ምዃኖም ግን ኣይጠቐሰን። ቅትለት ዝርከብዎም ዓመጻት ፈጺሞም እናተባህሉ ዝኽሰሱ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹ ሕብረት ኣውሮጳን ኣመሪካን ዝርከብዎም ሓያሎ ወገናት ክጽውዑ ምጽንሖም ይፍለጥ። \"ሕብረት ኣውሮጳ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ፖለቲካዊ ዝርርብ ክቕጽል\" ተኽእሎ ከምዘሎ'ውን እቲ ኮሚሽን ኣሚቱ'ሎ። ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ሕብረት ኣውሮጳን ዝጸንሐ ርክብ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ እናሓርፈፈ ክመጽእ ምጽንሑን፡ ናይ ቃላት ዳርባ ክመላለሱ ምጽንሖምን ይዝከር። እቲ ሕብረት ነቲ ኣብ ሓምለ 2018 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ብምድጋፍ፡ ንዝህሉ ቁጠባዊ ውህደት ንምትብባዕ ገንዘባዊ ደገፍ ከምዝገበረ ይግለጽ። እንተኾነ ግን፡ ድሕሪ'ቲ ስምምዕ ሰላም ኣብ ኤርትራ ክመጽእ ትጽቢት ዝተገብረሉ ፖለቲካዊ ለውጥታትን ምምሕያሽ ሰባዊ መሰላትን ዘይምምጽኡ ነቲ ዝምድናታት ከምዝሓላለኾ ተንተንቲ ይዛረቡ። እቲ ገንዘብ ናበይ'ዩ ክሰጋገር? ካብቲ ንዝተፈላለየ መዓላታት ክሰጋገር ዝተወሰነ ገንዘብ፡ \"62 ሚልዮን ዩሮ \"ነቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ደሞክራስያዊ ምስግጋር፡ 18 ሚልዮን ድማ ነቶም ካብ ትግራይ ሃዲሞም ኣብ ሱዳን ተዓቑቦም ዝርከቡ ስደተኛታት\" ክውዕል እቲ ኮሚሽን እማመ ኣቕሪቡ'ሎ። ብሰንኪ'ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት፡ ልዕሊ 60,000 ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ተዓቚቦም ከምዘለዉ ይፍለጥ። ነቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ውሕስነት መግቢ ንምቅላል'ውን፡ 20 ሚልዮን ካብኡ ክሰጋገር'ዩ። ኣብታ ሃገር ዘሎ ጸጥታዊ ዘይምርግጋእ፡ ዓጸቦ ከየስዕብ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ'ሎ። ብዘይካ'ዚ፡ 20 ሚልዮን ካብቲ ንኤርትራ ዝተሓስበ ባጀት ነቲ \"ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ምፍንቓልን ስደተኛታትን\" ክውዕል ተወጢኑ ኣሎ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56935434"} {"headline":"ሩስያ ዝምድናኣ ምስ ኣውሮጳዊ ሕብረት ክትበትኽ ከም እትኽእል ኣጠንቂቓ","content":"ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ሩስያ እገዳ እንተኣንቢሩ፡ ሃገሩ ምስቲ ሕብረት ዘለዋ ዝምድና ክትበትኮ ከም እትኽእል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ ኣጠንቂቑ። ሩስያ ኣሲራቶ ንዘላ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ፡ ኣሌክሲ ናቫልኒ ዝሓዘትሉ ኣገባብ ኣሰሓሓቢ ኮይኑ ኣብ ዝርከበሉ እዋን፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት ተወሳኺ እገዳታት ክገብር ከም ዝኽእል ይግለጽ። ምስቲ ሕብረት ዝምድና ናብ ምብታኽ ገጻ ትኸይድ እንተላ ብጋዜጠኛ ሕቶ ዝቀረበሉ ሚስተር ላቭሮቭ፡ \"ንዕኡ ድልዋት ኢና ዘሎና\" ኢሉ። ንሱ ወሲኹ \"ሰላም ትደሊ እንተኾይንካ፡ ንኲናት ተዳሎ\" ኢሉ። ብኣውሮጳዊ ሕብረት ዝግበር እገዳ ንቁጠባ ሩስያ ሃሳዪ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝገለጸ እቲ ሚኒስተር፡ ምብታኽ ዝምድናታት ከኸትል ይኽእል እዩ ብምባል \"ካብ ዓለምለኻዊ ጉዳያት፡ ርእስና ክነግልል ኣይንደልን ኢና፤ ግና ንዕኡ ድልዋት ክንከውን ኣሎና\" ኢሉ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሩስያን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ምስ ጉዳይ ናቫልኒ ብዝተኣሳሰር፡ በብወገነን ሰለስተ ዲፕሎማት ኣባሪረን እየን። ሩስያ፡ ሰለስተ ዲፕሎማሰኛታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ንናቫልኒ ኣብ ዝድግፍ ዘይሕጋዊ ሰላማዊ ሰልፊ ተሳቲፎም ብምባል፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ጆሴፍ ባሮል፡ ኣብ ሩስያ ኣብ ዑደት እንከሎ፡ ኣባሪራቶም። ኣውሮጳዊ ሕብረት ግን ነቲ ክሲ ነጺግዎ እዩ። ኣብዚ ሰሙን ድማ እተን ዲፕሎማሰኛታተን ዝተሰጎግወን ሃገራት፡ ጀርመን፡ ፖላንድን ሽወደንን፡ ንሩስያውያን ዲፕሎማት ኣባሪረን። ተወሳኺ እገዳታት ብኣውሮጳዊ ሕብረት ጆሴፍ ቦረል ብሰሉስ ንኣባላት ፓርላማ ኣውሮጳ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ዝቕጽል መድረኽ \"እገዳታት ዘጠቓልል ክኸውን ከም ዝኽእል\" ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ሽዱሽተ ላዕለዎት ሰበስልጣንን ማእከል ምርምር ኬሚካላዊ ኣጽዋር ሩስያ እገዳ ኣንቢሩ እዩ። እቶም ዝተጠቕሱ ኣካላት ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ምምራዝ ኣሌክሲ ናቫልኒ ብቐጥታ ከም እተዋስኡ እቲ ሕብረት ይኸስስ። ኣሌክሲ ናቫልኒ ኣብ ጀርመን ብዝተገብረሉ ሕክምና ካብቲ ምምራዝ ድሒኑ። ኣብዚ እዋን ብዙሓት ካብ ተሓባበርቲ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ብኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣሜሪካን ናይ ርእሰማል ምድስካልን ናይ መገሻን እገዳ ተነቢሩሎም ኣሎ። እቲ እገዳ ካብቲ ሩስያ ንሓውሲ ደሴት ክረምያ ኣብ ግዝኣታ ዝጸምበረትሉ 2014 ጀሚሩ ዝጸንሐ እዩ። ሚስተር ባሮል ናብ ሞስኮ ዝገበሮ ዑደት \"መሕፈሪ\" ምንባሩ ብምግላጽ፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ፓርላማ ኣውሮጳ ካብ መዝነቱ ክወርድ እኳ እንተሓተቱ፡ ብመራሕቲ ግና ድጋፍ ኣይረኸበን።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56051889"} {"headline":"ኮቪድ-19፡ ሃገራት ኣዉሮጳ ብምንካይ ፍርያት ክታበት ኮሮናቫይረስ ተሻቒለን","content":"ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ መድሓኒት ዘፍሪ ኣስትራዜኔካ ናይ ፍርያት ጸገም ከምዘሎ ምግላጹ ቀረብ ክታበት ካብ ትጽቢት ንታሕቲ ክኸውን’ዩ። ኮምሽን ሕብረት ኣውሮጳ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምረካብ ጻዕሪ ይገብር ከምዘሎ ሓቢሩ። ኣብ ገለ ክፈላት ኣውሮጳ ቀረብ ክታበት ፋይዘር-ባዮኤንቴክ ብምንካዩ ወፍሪ ክታበት ክቋረጽ ከምዝኽእል ይግለጽ ኣሎ። ምስ ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ ኮይኑ ነቲ ክታበት ዘፍሪ ኣስራዜኔካ ኣብ መግለጺኡ ብዛዕባ እቲ ኩነታት’ኳ እንተጠቐሰ ንጹር መብርሂ ግን ኣይሃበሉን። ሮይተርስ ንሓደ ስሙ ዘይረቑሖ በዓል መዚ ሕብረት ኣውሮጳ ጠቒሱ ከምዝሓበሮ ኣስትራዜኔካ ኣብ ናይ ፈለማ ርብዒ ዓመት ከቕርቦ ሓሲብዎ ካብ ዝነበረ መጠን ክታበት ብ60 ምኢታዊት ከምዝንኪ ንሕብረት ኣውሮጳ ኣፍሊጡ'ሎ። ብተቐጻጻሪ መድሓኒት ሕብረት ኣውሮጳ ፍቓድ ዘይረኸበ ክታበት ኣስትራዜኔካ ኣብ መወዳእታ'ዚ ወርሒ ፍቓድ ክወሃቦ ትጽቢት ይግበር። እቲ ኣፍራዩ ክታበት እንተወሓደ 3 ሚኢቲ ሚልዮን ክታበት ንምቕራብ ምስ ሕብረት ኣውሮጳ ተሰማሚዑ’ዩ። ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ንምርካብ ቃል ካብ ዝተኣተወሎም ክልተ ሚልዮን ክታበት ኣስትራዜኔካ፣ 6 ሚኢቲ ሽሕ ጥራይ ምርካባ መራኸብቲ ሓፋሽ ኦስትርያ ዘቃልሓ ኮይንን እቲ ዝተረፈ ድማ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ኣዋርሕ ክስዕብ’ዩ ተባሂሉ። እቲ ምድንጓይ “ምሉእ ብምሉእ ተቐባልነት ዘይብሉ’ዩ” ክብል ሚኒስትሪ ሓለዋ ጥዕና ኦስትርያ ሩዶልፍ ኣንሾበር ገሊጹ። ፋይዘር ዝተብሃለ ኩባንያ ኣመሪካ ብግድኡ ዓቕሚ ኣብ ቤልጅየም ዝርከብ ፋብሪክኡ ንምዕባይ ይሰርሕ ስለዘሎ ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት ዝልእኾ መጠን ክታበት ከምዝንኪ ኣፍሊጡ። ሕብረት ኣውሮጳ ካብ ኩባንያ ፋይዘር 6 ሚኢቲ ሚልዮን ክታበት ንምዕዳግ ከምዝተሰማምዐ ይፍለጥ። ፋይዘር መጠን ፍርያቱ ስለዝነከየ ኣብ ሃገራት ጀርመንን ጣልያንን ዝርከባ ግዝኣታት ዝጀመርኦ ናይ ፈለማ ክታበት ደው ከብላ ተገዲደን ኣለዋ። ኣብ ማረሪድ ንሰብ ሞያ ጥዕና ዝውሃብ ክታበት’ውን ደው ኢሉ’ሎ። ጣልያንን ፖላንድን ብዛዕባ እቲ ምንካይድ ክታበት ኣመልኪተን ኣብ ዘውጽእኦ መግለጺ “ሕጋዊ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና” ክብላ ኣጠንቂቐን። ሕብረት ኣውሮጳ ንናይ ኦክስፎርድ ኣስትራዜኔካ ክታበት ክሳብ ሕጂ ፍቓድ ብዘይምሃቡ ዘንጸርጸረ መንግስቲ ሃንጋሪ ድማ ዋላ’ኳ ኣብ ሩስያ ዝፈረየ ክታበት ስፑትኒክ ቪ ንምዕዳግ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐ ይግለጽ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55778709"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ መራሕቲ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ቀረብ ክታበት ንምውሳኽ ክዘራረቡ እዮም","content":"መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ቀረብ ክታበት ኮሮናቫይረስ ንምውሳኽን ኣብ ኣዘረጋግሕኡ ምሕያሽን ንምግባርን ንኽመያየጡ ክእከቡ'ዮም። ሎሚ ሓሙስ፡ ኮምሽን ኣውሮጳ ሕብረት፤ እዞም መራሕቲ ኣብ ኣውሮጳ ዝፈረየ ክታበታት ናብ ካልእ ሃገራት ዝለኣኸሉ ኣገባብ ምቁጽጻር ንኽግበረሉ ደገፎም ክህቡ ክሓቶም ከምዝክልእ ትጽቢት ይግበር። እዚ ብማንዛ ዝግበር ኣኼባ፡ ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ኣውሮጳ ሳልሳይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዘስፋሕፋሓሉ ዘሎ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ኣብዚ ኣኼባ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ዝሳተፍ ኮይኑ፡ ኣብ ሞንጎ ሕብረት ኣውሮጳን ኣመሪካን ዘሎ ርክባት ዘተ ክካየደሉ ትጽቢት ተገይሩ ኣሎ። ኣውሮጳዊ ሕብረት ምስቲ ዓባይ ብርጣንያ ንዜጋታታ ከቲባቶ ዘላ ብምንጽጻር ዶንጉዩ ኣሎ ተባሂሉ ይንቀፍ እዩ። እቲ ሕብረት ክታበታት ኣብ ምክፍፋል ዘጋጥሙ ዘለዉ ምድንጓያት ቀንዲ ከም ብዓል ኣስተራዜኔካ ዝኣመሰሉ ኣፍረይቲ ክታበታት እዩም ተሓተትቲ ኢሉ እዩ ዝኣምን። ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ግን እቲ ኣብቲ ሕብረት ዝፈረየ ክታበት ናብ ካልእ ሃገራት ክስደድ እንከሎ ጥቡቕ ምቁጽጻር ይገብረሉ ኣብ ዝብል ነጥቢ ዝተፈላለየ መርገጺ እዩ ዘለዎም። እቶም ናብ ካልእ ሃገራት ኣይልኣኽ ዝብል መርገጺ ዘለዎም ሓለፍቲ፡ እቲ ክታበት ናብ ካልኦት ሃገራት ዘይልኣኽ እንተኾይኑ ኣብ ውሽጡ እቲ ሕብረት እኹል ቀረብ ናይ ክታበት ከምዝህሉ'ዮም ዝማጎቱ። ቤልጁም ኣብ ዘውጽአቶ ጸብጻብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ናብ ካልእ ሃገራት ካብ ዝተለኣኸ 40 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት እቲ ሓደ ርብዒ ናብ ዓባይ ብርጣንያ ዝተለኣኸ እዩ ትብል። ሕብረት ኣውሮጳን ዓባይ ብርጣንያን ብረቡዕ ብሓባር ኣብ ዘወጽእዎ መግለጺ፡ ኩሉ ተጠቃሚ ዝኾነሉን ቀረብ ክታበት ዝውስኸሉን ኣገባብ ከምዘማዕብሉን ድሌቶም እሱ ምዃኑን ገሊጺም። \"ንኹልና ሓደ ዓይነት ለበዳ'ዩ ኣጋጢምና ዘሎ፡ ስለዚ ሳልሳይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምምካት ኣብ ሞንጎ ሕብረት ኣውሮጳን ዓባይ ብርጣንያን ዘሎ ርክብ ወሳኒ ተራ እዩ ዘለዎ\" ይብል እቲ ዝወጽአ መግለጺ። ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ካብቲ ሕብረት ዝወጽእ ክታበታት እገዳ ዘንብር እንተኾይኑ፡ ልዕሊ እቲ ሕብረት እተን ንዜጋታተን ብብዝሒ ዝኸትባ ዘለዋ ከም ኣመሪካን ዓባይ ብርጣንያን ዝኣመሰላ ሃገራት ዝያዳ ክህሰያ እየን። እተን ክታበታት ኣፍርየን ናብ ካልእ ሃገራት ዝሸጣ ዘለዋ ከም ቤልጂምን ሆላንድን ኸኣ ነቲ ብገለ መራሕቲ ክታባት ካብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ናብ ካልእ ሃገራት ክወጽእ እንከሎ ጥቡቕ ምቁጽጻር ይገበረሉ ንዝብል ሓሳብ ብትሪ ይቃወመኦ ኣለዋ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56519990"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ: ቻይና ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ 'ጣልቃ ምእታው' ከም እትቃወም ሓቢራ","content":"ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ፡ ሃገሩ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ዝግበር ጣልቃ ምእታው ከም እትቃወም ገሊጹ። መንግስታዊ ማእከን ዜና ሺንሁዋ ንዘረባ እቲ ሚኒስተር ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ቻይና ኣብ ጉዳያት ኢትዮጵያ ንዝግበር ናይ ወጻኢ ምትእትታው ከም እትቃወም ኣነጺሩ። እቲ ሚኒስተር፡ ነዚ ዝተዛረበ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ምስ ኢትዮጵያዊ መዘንኡ ብስልኪ ድሕሪ ምምይያጡ እዩ። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ኣቶ ደመቀ መኮነን'ውን ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ \"ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ ብዝገበርናዮ ውጽኢታዊ ናይ ስልኪ ዝርርብ ብዛዕባ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገራትና ጣልቃ በዘይ ምእታው ምፍታሕ ተዘራሪብና ኣሎና\" ኢሉ። እቶም ሰበስልጣን ብዝገበርዎ ምይይጥ፡ እተን ሃገራት \"ሉኣላውነተን ከም ዘኽብራን ንምትሕብባር ድልዋት ምዃነንን\" ከም ዝተረዳድኡ ኣቶ ደመቀ ኣብቲ ብትዊተር ዝዘርግሖ ሓበሬታ ገሊጹ። ሃገራት ምዕራብ ኣብ ክልል ትግራይ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ምፍጻሙ፡ ህዝቢ ንጥሜት ምቅልዑ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ብኣገባብ ይባጻሕ ከም ዘየሎን ካልኦት ጸገማት ምህላውን ብምግላጽ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክነቕፉ ጸኒሖም ኣለው። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ነቲ ክስታት ብምንጻግ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ጣልቃ ንምእታው ይፍትኑ ኣለው ብምባል ብተደጋጋሚ ክቃወም እዩ ጸኒሑ። ኣመሪካን ኣውሮጳዊ ሕብረት ንትግራይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ፡ ቅትለት፣ መድፈርቲ፣ ምፍንቓል ከምኡ'ውን ከም ማእከላት ሕክምና ዝኣመሰሉ መሰረተ ልምዓት ናይ ምዕናው ተግባራት ከም ዝተፈጸመ ገሊጾም። ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ዓለምለኻዊ ማሕበራትን ትካላት ረድኤትን ተመሳሳሊ ስግኣት ምህላው ሓቢሮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ሰብኣዊ ሓገዛት ይቐርብ ከም ዘሎ ብተደጋጋሚ ይገልጽ። ኣፈኛ ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ቢልለኔ ስዩም ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ ዝተፋላለያ ሃገራት ዘርኣይኦ መርገጺ \"ንኽብሪ ኢትዮጵያ ዘይሓለወ\" እዩ ኢላ ምግላጻ ይዝከር። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ \"ኢትዮጵያ ሃገራዊ ድሕነታን ጸጥትኣን ናይ ምህላው መሰል ኣለዋ\" ምባሉ ሺንሁዋ ጸብጺቡ። \"ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ጉዳያታ ብቐንዱ ብናታ ጻዕሪ ክትፈትሕ ኣለዋ። ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንፍቓድ ኢትዮጵያ ኣኽቢሩ ድጋፍ ክህብ እዩ ዘለዎ። እገዳ ከንብር'ውን የብሉን\" ምባሉ ኣስፊሩ። መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ኣባላት ሰራዊትን ጸጥታን፣ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ኣምሓራን ህወሓትን ናይ ቪዛ እገዳ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ነዚ ድማ ከም ምኽንያት ዝቐረበ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ደው ክብልን ወተሃደራት ኤርትራ ካብቲ ክልል ክወጹ፡ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ክመሓየሽ፡ ኣብቲ ጎንጺ ዝሳተፉ ሓይልታት ናብ ዝርርብ ክመጽኡ ዝገበረቶ ጻዕሪ ተቐባልነት ብዘይምርካቡ እዩ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ምስ ኢትዮጵያዊ መዘንኡ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ \"ቻይና ኣብ ክልል ትግራይ ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምህዳእ ረድኤት ንምሃብ ፍቓደኛ እያ። ቀዳማይ ዙር ናይ መግቢ ሓገዝ ተላኢኹ ኣሎ\" ከም ዝተባህለ ሺንሁዋ ጸብጺቡ። ቻይና ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ጣልቃ ናይ ዘይምእታው ፖሊሲ ብምድጋፋ፡ ኣቶ ደመቀ ምስጋንኡ ከም ዝገለጸ'ውን እቲ ጸብጻብ ገሊጹ። ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ክልል ትግራይ ንዘሎ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፡ ንመርገጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝደገፈ ሃገራት፡ እታ ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር (ቀውፊ) ስልጣን ዘለዋ ቻይና ሓንቲ እያ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57439199"} {"headline":"ብሪጣንያ ኣብ ትግራይ 'ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ' ዓጸቦ ክኽሰት ከም ዝኽእል ኣጠንቂቓ","content":"መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ከቢድ ጥፍዓት ዘስዕብ ዓጸቦ ክኽሰት ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ። ፍሉይ ልኡኽ ምክልኻል ዓጸቦ ኒክ ዳየር፡ ኣብቲ ብኲናት ዕንወት ዝወርዶ ዘሎ ክልል ኣብ ዝገበሮ ዑደት እዩ ነቲ ግምገማ ኣካዪዱ። ብመሰረት ሚስተር ዳየር ዘቕረቦ መብርሂ፡ ኣብቲ ክልል ጸብጻባት ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ከም ዘሎ ብምግላጽ ተጻብኦታት ይቕጽል ምህላው ሓቢሩ። ኣብ ልዕሊ መሳርሒታት ሕርሻ፡ ንዘርኢ ዝተኸዘነ እኽሊ፡ ከምኡ'ውን ዓድታት ብምሉእ ዕንወት ከም ዝተፈጸመ ብምግላጽ፤ ብምኽንያት ምዕጻው ጽርጊያታትን በረራታትን ኣብቲ ክልል ብዙሕ ህዝቢ ክብጻሕ ከም ዘይተኻእለ ኣብሪሁ። ጥዕና ዘይምርካብ ማዕረ ጥሜት ኣስጋኢ እዩ ዝበለ ሚስተር ዳየር፡ ብፍላይ ኣብ ዝበዝሓ ማእከላት ጥዕና እቲ ክልል ዝበጽሐ ዕንወት ዝያዳ ኣሻቓሊ ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓላፊት ትካል ረድኤት ኣመሪካ ዩኤስኤይድ'ውን፡ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይ \"ሓያል ጥሜት\" ተኸሲቱ ምህላው ኣጠንቂቓ ነይራ። ሰማንታ ፓወር፡ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሐቶ መልእኽቲ፡ ህጹጽ ትካል ምክትታል መግቢ ኣመሪካ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ዝቕጽለ ዘሎ ጎንጺ \"ደረጃ 5 ህጹጽ ኵነት መግቢ\" ተኸሲቱ ምህላው ድሕሪ ምግላጽ ዝለዓለ ደረጃ ምዃኑ ሓቢራ። \"መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕጂ ነቲ ኲናት ደው ከብልን ንሰራሕተኛታት ረድኤት መገዲ ክኽፈትን\" ድማ ጸዊዓ። ብመሰረት ጸብጻብ ፕሮግራም መግቢ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ 5.2 ሚልዮን ሰባት ናይ መግቢ ሓገዝ የድልዮም ኣሎ። ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ተፈናቒሎም፡ ኣብ ከተማ ሽረ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ-ትምህርቲ ተዓቚቦም ካብ ዝነበሩ ተፈናቐልቲ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ደቂ ተባዕትዮ ብሰነይ ብወተሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ተወሲዶም ከምዝተኣሰሩ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ገሊጾም፡፡ እቶም ወተሃደራት ናብቶም መዕቆቢታት ብምእታው ንደቂ ተባዕትዮ ጥራሕ ከካብ ዝነብሩሉ ክፍሊታት እናውጽኡ ንገሊኦም ብመካይን ንገሊኦም ድማ ብእግሮም ኣሰሊፎም ከምዝወሰዱዎም ብምግላጽ፡ ነቶም ስደተኛታት ይቕጥቅጡዎም ከም ዝነበሩ እቶም መሰኻኽር ሓቢሮም፡፡ ልኡኽ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ኢትዮጵያ ነቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ምላሽ እቲ ጸብጻብ \"ኣዝዩ ረባሺ\" ምዃኑ ብምግላጽ፡ \"ነቲ ኩነታት ንምብራህ ነጻን ቅልጡፍን መርመራ ክግበር ከም ዘድልይ\" ሓቢሩ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ግና ተፈናቐልቲ ናይ ምእሳር \"ተግባር ክፍጽም ዘይክእል\" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነቶም ጸብጻባት \"ዝተፋሕሰ\" ክብል ገሊጽዎም። ነቶም ኣብዚ እዋን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሸበርቲ ተባሂሎም ዘለው ሓይልታት ትግራይ ንምስዓር ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተዓዲሞም ዝኣተው ወተሃደራት ኤርትራ ጌና ኣብቲ ክልል ኣብ ኲናት ይሳተፉ ምህላዎም ጸብጻባት ይሕብሩ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57251203"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ጀርመን ንትሕቲ 60 ዕድመ ክታበት ኣስትራዘኔካ ምሃብ ክትቅንስ እያ","content":"ጀርመን፡ ብምኽንያት ሳሕቲ ዘጋጥም ጸገም ምርጋእ ደም፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኦክስፎርድ-ኣስትራዘኔካ፡ ንትሕቲ 60 ዕድመ ምሃብ ከምእትቕንስ ገሊጻ፡፡ ትካል ተቖጻጻሪ መድሓኒት ጀርመን፡ እቲ ክታበት ካብ ዝወሰዱ 2.7 ሚልዮን ሰባት ኣብቶም 31፡ እቲ ሓሓሊፉ ዘጋጥም ጸገም ምርጋእ ደም ከምዝተርኣየ ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡ ካናዳ ብተመሳሳሊ፡ ዕድሚኦም ትሕቲ 55 ንዝኾኑ ሰባት እቲ ክታበት ምሃብ ደው ኣቢላ እያ፡፡ ነቲ ክታበት ዘፍርይ ትካል ኣስትራዘኔካ ግና፡ እቲ ክታበት ካብ ጉድኣቱ ጥቕሙ ከምዝዛይድ ብዓለምለኻዊ ተቖጻጸርቲ መድሓኒት ተረጋጊጹ እዩ ይብል፡፡ እንተኾነ፡ እቲ ሳሕቲ ኣብ ሚልዮናት ዘጋጥም ሕማም ምርጋእ ደም፡ ካብቲ ልሙድ ብዝዛየደ የጋጥም ንምህላዉ ግን የጽንዕ ኣለኹ ኢሉ፡፡ ኣብዚ ወርሒ ገለ ሃገራት ኣውሮጳ ብተመሳሳሊ ስግኣት፡ ነቲ ክታበት ምሃብ ዘቋረጻ ኮይነን፡ ተቖጻጸርቲ ጥዕና ሕብረት ኣውሮጳን ዩናይትድ ኪንግደምን ግን ጥቕሚ እቲ ክታበት ከምዝዛይድ ብምግላጽ፡ ነቲ ክታበት ይድግፉ ኣለዉ፡፡ ‘‘ክታበት ኦክስፎርድ-ኣስትራዘኔካ ውሑስን ውጽኢታውን እዩ፤ ዛጊድ ድማ ኣብዛ ሃገር ህይወት ኣሻሓት ኣድሒኑ እዩ’’ ዝብል ወሃቢ ቃል መንግስቲ ዩናይትድ ኪንግደም፡ ልዕሊ 30 ሚልዮን ሰባት ቀዳማይ ዙርያ ክታበት ከምዝወሰዱ ይገልጽ፡፡ ክታበት ኣስትራዘኔካ ካብቶም ኣብ ሃገራት ምዕራብ ብሰፊሑ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓሉ ክታበታት ኮሮናቫይረስ ኮይኑ፡ ናብ ዘይማዕበላ ሃገራት ድማ መኽሰብ መሰረት ከይገበረ ክቐርብ ዝዓለመ እዩ፡፡ ምክፍፋል እቲ ክታበት ኣብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ብምኽንያት ጸገማት ምፍራይን ምጉዕዓዝን ተጓቲቱ እዩ፡፡ ጀርመን ድማ ካብተን ሳልሳይ ዙር ማዕበል ኮሮናቫይረስ ዘስገአን ሃገራት ሓንቲ እያ፡፡ ወዲ 73 ዓመት ቀዳማይ ሚኒስተር ጥልያን ማርዮ ድራጊን በዓልቲ ቤቱን ትማሊ ሰሉስ፡ ኣብቲ ክታበት እምነት ከምዘለዎም ብዘርኣይ፡ ፈላማይ ዙር ክታበት ኣሰትራዘኔካ እንትወስዱ ተራእዮም እዮም፡፡","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56587474"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣንጻር ኣስትራዘኔካ ኣብ ዝገበሮ ፍርዳዊ ምጉት ተሳዒሩ","content":"ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣስታራዘኔካ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ 120 ሚልዮን ብልቃት ከረክበኒ ኣለዎ ኢሉ ናብ ብራስለስ ዘቅረቦ ክሲ፡ ቤት ፍርዲ ውዱቕ ገይርዎ። ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ እቲ ክታበት ኣስትራዜኒካ ዘፍሪ ትካል ኣብ ቀረብ ዛሕቲሉ ብምባል እዩ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ክሲ መስሪቱ። እቲ ትካል ኣብ መጀመርታ 300 ሚልዮን ብልቃጥ ኣብ ግዜኡ ከረክብ ተሰማሚዑ'ኳ እንተነበረ፡ ምስ ዝሕታለ ፍርያትን እገዳታት ሰደድን ተተሓሒዙ ነቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ 120 ብልቃጥ ጥራይ ከረክብ እዩ ምስቲ ሕብረት ተሰማሚዑ። ቤት ፍርዲ ብራስለስ፡ ነቲ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዘቕረቦ ክሲ እኳ እንተነጸጎ እቲ ትካል ኣብ ዝመጽእ ክረምቲ ነቲ ክታበት ንኣውሮጳዊ ሕብረት እንተዘይኣረኪቡ ሰፍ ዘይብል ናይ ገንዘብ መቅጻዕቲ ከም ዝጽበዮ ውሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ። እቲ ክታበት ኣስትራዘኔካ ዘፍሪ ትካል ነቲ ውሳነ ናይ ቤት ፍርዲ ብጸጋ ተቐቢሉዎ ኣሎ። ክታበት ኣስትራዘኔካ ኣብ ኦክስፎርድ ዝፈሪ ኮይኑ ክልተ ግዜ ዝውሃበ ክታበት እዩ፤ ብደረጃ ዓለም ኸኣ እቲ ዝበዝሐ ተዘርጊሑ ዘሎ እዩ። ቤት ፍርዲ፡ እቲ ኣስትራዘኔካ ዘፍሪ ኦክስፎርድ ክሳብ 27 መስከረም ኣብ ዘሎ ግዜ 80.2 ሚልዮን ብልቃት ክታበት ንኣውሮጳዊ ሕብረት ከረክብ፡ እዚ ምስ ዘይገብር ግን እቲ ትካል ንሓንቲ ብልቃት ብሕሳብ 12 ዶላር ክቅጻዕ ብይን ኣሕሊፉ ኣሎ። እቲ ቤት ፍርዲ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት ክሳብ መወሳእታ ወርሒ ሰነ 120 ሚልዮን ብልቃት ክርከብ ኣለኒ ኢሉ ንዘቅረቦ ክሲ ነጺግዎ። ኣስትራዘኔካ ንውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ብጸጋ ከም ዝተቐበሎ ብምግላጽ፡ ክሳብ ሕጂ 70 ሚልዮን ኣረኪቡ ከም ዘሎን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ነቲ ጠለብ ቤት ፍርዲ ከም ዘማልእን ቃል ኣትዩ። ፕረዚደንት ኣውሮጳዊ ሕብረት ኡስላ ቮን ደር ለይን፡ ንውሳነ ቤት ፍርዲ ከምእተኽብሮ ብምግላጽ ኣስትራዘኔካ ንዝኣተዎ ውዕል ንምምላእ እኹል ተበግሶ ከም ዘይወሰደ'ያ ገሊጻ። ንኣውሮጳዊ ሕብረት ዝወከለ ጠበቓ፡ ቤትፍርዲ ኣስትራዘኔካ ንኹለ ዝኣተዎ ውዕላት ንምምላእ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ኦክስፎርድ ባዮመዲካ'ውን ነቲ ክታበት ብብዝሒ ከፍሪ ከም ዘለዎ ውሳነ ምሃቡ'ዩ ዝገልጽ። ኦክስፎርድ ባዮመዲካ ናብ ዓበይ ብሪጣንያ ዝኸውን ክታበታት ኣስትራዘኔካ ዘፍሪ ዘሎ ትካል እዩ። ኣስትራዘኔካ ግን ቤት ፍርዲ፡ ንኣውሮጳዊ ሕብረት ዝኸውን ክታበት ኣብ ኦክስፎርድ ባዮመዲካ ከፍሪ ዝገድድ ውሳነ ከም ዘይሃበ'ዩ ዝገልጽ። ክልቲኦም ተኻሰስቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ናብ ቤት ፍርዲ ክቀርቡ ተሓቢሩዎም ኣሎ። ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም፡ ኣስተራዘኔካ ነቲ ብቤትፍርዲ ዝተዋህበ ብይን ኣተግቢሩዎ'ዶ ንምጽራይ እዩ ክጋባእ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣስተራዘኔካ ኣብ ወርሒ ሰነ ናይ 2021፡ 300 ሚልዮን ብልቃጥ ንኣውሮጳዊ ሕብረት ከረክብ ተሰማሚዑ ነይሩ። ድሒሩ ግን ብሰንኪ እገዳታት ናይ ሰደድን ፍርያትን ኣስትራዘኔካ ነቲ ቁጽሪ ናብ 100 ሚልዮን ኣጉዲልዎ። ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ መወዳእታ ጠለቡ ናብ 120 ሚልዮን ብልቃጥ ብምጉዳል ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ነቲ ክታበት ክርከቦ ነይሩኒ ብምባል እዩ ናብ ቤት ፍርዲ ኣምሪሑ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57676043"} {"headline":"ኮቪድ-19፡ ሃገራት ኣውሮጳ ሓድሽ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ የንጸላልወን","content":"ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ኣውሮጳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ዝግ ኢሉ ዝነበረ መጠን መልከፍቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ብ 10 ሚኢታዊት ወሰኽ ከም ዘርኣየ ብምሕባር ኣብተን ሃገራት ሓድሽን ሳልሳይን ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክጅምር ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ። ዞባዊ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ሃንስ ክሉግ፡ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ምስፍሕፍሑ፣ ማሕበራዊ ምትእክኻባት ብምዝያዱን ክታበት ከምቲ ዝግበኦ ፍጥነት ናብ ኩሉ ይባጻሕ ስለ ዘየሎን እቲ መልከፍቲ ወሰኽ ከም ዘርኣየ እዩ ዝሕብር። እቲ ካልእ ምኽንያት ዝበሎ ኸኣ እቲ ዓሚ ክካየድ ዝነበሮ'ሞ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ሎሚ ዓመት ዝተሰጋገረ ግጥማት ኵዕሶ እግሪ ዩሮ- 2020 እዩ። ኣማኢት ደገፍቲ ሃገራውያን ጋንታታት ኣብ ለንደንን ሰንት ፒተርስበርግን ኵዕሶ ርእዮም ምስ ተመለሱ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ከም ዝጸንሑ ይሕበር። ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ላዕለወይቲ ዳይሬክተር ህጹጽ ጉዳያት ካትሪን ስሞልዉድ፤ እተን ጸወታታት ዘአንግዳ ዘለዋ ከተማታት ኣብ ምንቅስቃስ ደገፍቲ ሃገራውያን ጋንታታት እኹል ምቁጽጻርን ምክትታልን ክገብራ ጸዊዓ። ካትሪን ስሞልዉድ \"እኹል ምክትታት የድሊ ኣሎ። ጸወታ መስ ተወደአ ናበይ ይኸዱ? ናብ ባራትን ናብ ክለባትን ብምኻድ ድዮም ዝዘናግዑ?\" ብምባል ሕቶ ተቐምጥ። እዚ ኣብ ህንዲ ዝጀመረ ደልታ ዝተብሃለ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ንዝበዝሓ ሃገራት ኣውሮጳ ስግኣት ኮይንወን ምህላዉ እዩ ዝግለጽ። ናይ ኣውሮጳዊ ሕብረት ክፍሊ ምክልኻልን ምቁጽፋርን ሕማማት፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ብኮሮናቫይረስ ካብ ዝልከፉ እቶም 90 ሚኢታዊት በዚ ደልታ ዝተብሃላ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ግምቱ ኣቐሚጡ ኣሎ። ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታ ዝለዓለ መጠን መልከፍትን ሞትን እያ ኣመዝጊባ ዘላ። ኣብ ሩስያ፡ ኣብ ሓሙስ ጥራይ 23,543 ሰባት ክልከፉ እንከለዉ፡ 672 ኸአ ሞት ተመዝጊቡ ኣሎ። ዝበዝሑ ኸኣ በዚ ደልታ ዝተባህላ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ እዮም። እታ ሓንቲ ካብተን ግጥማት ኵዕሶ እግሪ ዘአንግዳ ዘለዋ ከተማታት ሩስያዊት ከተማ ቅዱስ ፔተርስበርግ ኮይና፡ እታ ከተማ ሓሙስ ጥራይ 115 ሰባት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ሞይቶማ። ሰብ መዚ ፊንላንድ፡ 21 ሰነ ኵዕሶ ንምዕዛብ ናብ ሩስያ ከይደም ዝነበሩ ልዕሊ 400 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ምስ ተለኸፉ፡ ንህዝቦም ናብ ሩስያ ከይገይሽ ከልኪሎም ኣለዉ። ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጀርመን ሆረስት ስሆርፍ፡ እቲ ጸወታ ተዓዘብቲ ዝሳተፍሉን ኣብዚ ሕጂ እዋን ንኽኻየድ ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ምውሳኑ፡ ነቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከም ዘጋደዶ ብምሕባር 'ዘይሓላፍነተጋዊ'ዩ' ኢልዎ። ንሱ ብምስዓብ ኣብ ለንደንን ቡዳፔስትን ኣብ ዝግበር ጸወታታት ፍጻመን ፍርቂ ፍጻመን 60 ተዓዘብቲ ናብ ስታድዮም ክኣትዉ ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ኣውሮጳ መደብ ምውጽኡ ብትሪ ነቂፉ። ብምስዓብ \"ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ንምንታዩ እዚ ዘሎ ኩነታት ክርድኦ ዘይከኣለ ኣይርድኣንን'ዩ፤ ወይ'ውን ምናልባት ብዛዕባ ንግዳዊ ጉዳያቱ ጥራይ እዩ ዝሓስብ ኢለ እጥርጥር\" ኢሉ። ሚኒሰትሪ ጥዕና ስኮትላንድ ብሓሙስ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም፡ እቶም 1294 ጸወታታት ንምዕዛብ ናብ ለንደን ገይሾም ዝነበሩ ምዃኖምን ካብኦም እቶም 397 ናብ ዌምብለይ [ጸወታ ዝተኻየደሉ ስታድዮም] ኣትዮም ምንባሮምን ሓቢሩ። ኣብ መላእ ዓባይ ብሪጣንያ'ውን 27989 ሰባት ኣብ ሓደ መዓልቲ ሓዲሽ መልከፍቲ ተመዝጊቡ ኣሎ። እዚ ኻኣ ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ እቲ ዝለዓለ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝተመዝገበ መጠን መልከፍቲ እዩ። እንተኾነ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ 62.7 ሚኢታዊት ክልተ ግዜ ተኸቲቦም እዮም። ኣብ ካልኦት ሃገራት ኸኣ","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57691860"} {"headline":"ፈረንሳ ኣብ ድሮ ሓዲሽ ዓመት ዝግበር ጽንብላት ንምግታእ 100 ሽሕ ሰራዊት ኣዋፊራ","content":"ፈረንሳ፡ ሰባት ኣብ ድሮ ሓዲሽ ዓመት ከይተኣኻኸቡ ዝኽልክሉን ነቲ ተኣዊጁ ዘሎ ሰዓታት እቶ እቶ ዝቆጻጸሩን ኣብ ልዕሊ እቶም ዝጸንሑ ፖሊስ፡ 100,000 ሰራዊት ኣዋፊራ። ኣብ ፈረንሳ ክሳብ ሎሚ 2.6 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ ሞት 64,000 ሰባት ኸኣ መዝጊባ ኣላ። ፈረንሳ ብብዝሒ መልከፍቲ ካብ ሃገራት ዓለም ኣብ ሓሙሻይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ። ልክዕ ከም ዝበዝሓ ሃገራት ኣውሮጳ፡ ፈረንሳ'ውን ብሰንኪ እዚ ዘሎ ለበዳ ኣብ ድሮ ሓዲሽ ዓመት ዝግበር ምትእኽኻባት ከልኪላ እያ ዘላ። ሚኒሰተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ጀራርድ ዳርማኒን፡ እቶም ነባራት ፖሊስን እዞም ሓደሽቲ ተደረብቲ ሓይልን ካብ ሰዓት ሸሞንተ ናይ ምሽት ኣትሒዞም ኣብ ቀንዲ ቀንዲ ክፋላት ናይ ከተማታት ከምዝዋፈሩ ኣፍሊጡ። ኣብ ፓሪስ፡ ናይ ምሸት፡ ፍርቂ ካብ መስመራት ባቡር ክዕጾ እዩ። ሚኒሰተር ጀራርድ ዳርማኒን ህዝባውያን መጓዓዝያታት ብደረጃ ሃገር ኣብ ናይ ምሸት ሰዓታት ደው ክብል'ውን ጸዊዑ ኣሎ። ሚኒሰተር ጀራርድ ዳርማኒን፡ ናብ ኣመሓደርቲ ዞባታት ኣብ ዝልኣኾ ደብዳበ፡ ኣብ መላእ ሃገር፡ ኣብ ድሮ ሓዲሽ ዓመት ክህሉ ዝኽልእ ጽንብላት ዝኽልክሉን ምንቅስቓስ ዝእግዱን 100000 ሰራዊት ክዋፈሩ ምዃኖም ገሊጽሎም። እዞም ሰራዊት ንዝኾነ ኣብ ድሮ ሓዲሽ ዓመት ዝግበር ምትእኽኻባት ከምዝብትኑን፡ ካብዚ ብተወሳኺ ነቶም ተሳተፍትን ወደብቲ ምትእኽኻባትን ኸኣ ናብ ሕጊ ከቕርብዎምን ተሓቢርዎም ዘሎ። ኣብ ፈረንሳ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ 2005 ዝነበረ ናዕቢ፡ ኣብ ድሮ ሓዲሽ ዓመት መካይን ምቅጻል ከም ባህሊ እዩ ተኣታትዩ ዘሎ። ኣብ ዝሓለፈ ድሮ ሓዲሽ ዓመት 1457 መካይን ተቓጺለን። ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ዓመት ከኣ 1290 መካይን ተቃጺለን። እቶም ሓደሽቲ ዝተዋፈሩ ፖሊስ'ውን ነዚ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ክገትእዎ'ዩ ተወጢኑ ዘሎ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55495491"} {"headline":"ሕብረት ኣውሮጳ፡ 'ንኤርትራ ክህቦ ዝሓሰበ ልዕሊ 50 ሚልዮን ዩሮ ስሒብዎ'","content":"ኣብ ሆላንድ ዝመደበሩ ትካል ሰባዊ መሰላት ንኤርትራውያን፡ ነቲ ኣንጻር ሕብረት ኣውሮጳ ከፊትዎ ዝጸንሐ ሕጋዊ ክሲ ከምዝሰሓቦ ኣፍሊጡ። \"እቲ ውሳነ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ድሕሪ ተኸታታሊ ነቐፌታታት 'ብሕጂ ጽርግያ የለን' ['no more roads'] ዝብል መርገጺ ድሕሪ ምውሳዱ'ዩ ተወሲዱ\" ክብል ጠበቓ ናይቲ ተሓላቒ ጉጅለ መሰላት፡ ከነዲ ቫን ደር ላን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ። እቲ ጠበቓ ከምዝበሎ፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ነቲ ብሕጂ ንተመሳሳሊ ዕላማ ክወሃብ ተሓሲቡ ዝነበረ ገንዘብ፡ ንካልእ መዓላ ከምዝወሃብ ኣፍሊጡ ኢሉ። ዳይረክተር ትካል ሰባዊ መሰላት ንኤርትራውያን ኣቶ ሙሉብርሃን ተመልሶ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ \"ኤውሮጳዊ ሕብረት ብንጹር ዝተሰማምዓሉ፡ ንብድሕሪ ሕጂ ዝኾነ ኣብ ጽርግያ ዝውዕል ባጀት ከምዘይሕግዝን ከምዘይምውልን ብኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ ብንጹር ኣፍሊጡ'ሎ\" \"ብመንጽር'ቲ ዝኸድናዮ ሕጋዊ መስርሕ፡ ብዙሓት ኣባላት ሃገራት ቅሬታአን ስለዝገለጻ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ዝገበሮ ናይ ባይትኡ ኣኼባ'ውን ነዚ ጉዳይ'ዚ ኣልዒሉ ስለዝተራደዳኣሉን፡ ንብድሕሪ ሕጂ ነቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ከምዘይቅጽሎ ስለዘፍለጠና'ዩ\" ኢሉ። \"ብቐንዱ ግን፡ ብመንገዲ መንግስቲ ኤርትራ ዝተሓተ ናይ 50 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝን፡ ካልእ ነቲ መደብ ቀኒዑ ዝነበረ ገንዘብን ስለዝሰሓቦን፡ ከምዘይሰዶ'ውን ስለዘፍለጠና ኢና ተሰማሚዕና ነቲ ሕጋዊ መስርሕ ጠጠው ከነብሎ ዝፈተና\" ክብል ኣቶ ሙሉብርሃን ተዛሪቡ። ካብቲ ሕብረት ግን ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን። ሕብረት ኣውሮጳ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ ሓምለ 2018 ዝተፈጸመ ዕርቀ-ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንዝህሉ ቁጠባዊ ርክባት ዝሕግዝ'ዩ ዝበሎን፡ ንመስርሒ ጽርግያ ዝኸውን ልዕሊ 80 ሚልዮን ዩሮ ንኤርትራ ክህብ ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ተጣበቕቲ መሰላት፡ እቲ ዝተባህለ ጽርግያ በቶም ኣብ ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘለዉ መንእሰያት ይስራሕ ምህላዉን፡ እዚ ድማ ግዱድ ስራሕ ምዃኑን ክነቕፉ ጸኒሖም። እቲ ሓገዝ ንመግስቲ ኤርትራ ከይወሃብ ድማ፡ ሕጋዊ ምጉት ክሳብ ምኽፋት ዝበጽሐ ተቓውሞታት ከካይዱ ጸኒሖም። \"ንልምዓት ኤርትራ ዝኸይድ ኩሉ ዓይነት ገንዘብ፡ ጉልበት፡ ሓገዝ፡ ሓሳብ ብምልኡ ደገፍና እምበር ተቓውሞና የብሉን\" ዝበለ ኣቶ ሙሉብርሃን፡ ግሉጽነት ኣብ ዘይብሉ መዓላታትን፡ ንምዝመዛ ዜጋታትን ዝውዕል እንተኾይኑ ግን ኣትሪሮም ከምዝቃወምዎ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ትካል ሰባዊ መሰላት ንኤርትራውያን ጥርዓኑ ናብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ምስ ኣቕረበ: ኣፈኛ ናይቲ ሕብረት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቲ ሕብረት ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ዘይድግፍን፡ ኩሎም ፓሊሲታቱ ሰባዊ መሰላት ማእከል ዝገበሩ ምዃኖምን ገሊጹ ነይሩ። \"እቶም ኣብቲ ፕሮጀክት ዝሰርሑ ሰባት ብዝግባእ ይኽፈሉ ምህላዎምን ግቡእ ኣተሓሕዛ ይግበረሎም ምህላዉን ንምርግጋጽ፡ እቲ ፕሮጀክት ጥቡቕ ምቁጽጻር ክግበረሉ እዩ\" ኢሉ ምንባሩ'ውን ይዝከር። እንተኾነ ግን እቲ ሕብረት ነቲ ጥርዓን \"ዕሽሽ ብምባል\" ኣብ መዛዘሚ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተወሳኺ ናይ 60 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ብምግባሩ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ወሲዶሞ። እዚ ፕሮጀክት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንግዲ ዘደንፍዕን ንዕብየት ክልቲኡ ህዝብታት ሓጋዚ ምዃኑን ኣውሮጳዊ ሕብረት ይገልጽ። በዚ ድማ ነዚ ሓገዝ ምቅዋም ንልምዓትን ምዕባለን ኤርትራን ህዝባን ምጽራር ምዃኑ ዝገልጹ ወገናት ኣለው። ይኹን እምበር፡ ዋላ'ኳ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ኣየር ርክባት እንተሃለወን፡ ዶባተን ዳግም ካብ ዝጽዕጾ ዳርጋ ክልተ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። ብሰንኪ'ዚ ድማ ንግዳዊ ርክባት ክሳብ ሕጂ ዘይምጅማሩ ነቲ ዝተፈረመ ሰላም፡ ዘይምሉእ ገይሩዎ ኣሎ። ሰበስልጣን ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ብመሰረት ኮሚሽን ዶብ ንኤርትራ ዝተዋህበ ከባቢታት \"ተጎቢጡ\" ኣሎ ክብሉ መረሮም ኣስሚዖም ነይሮም። መንግስቲ ኤርትራ፡ ብምግሃስ መሰረታዊ ሰባዊ መሰላት፡ ግዱድ ዕስክርናን ግዱድ ስራሕን ክኽሰስ ምጽንሑ ይፍለጥ። ይኹን እምበር፡ ንኤርትራ \"ንምስይጣን\" ዝዓለመ ክስታት'ዩ ብምባል'ዩ ዝነጽጎ። ሕጂ'ውን፡ \"ንጉዳይ ግዱድ ስራሕ ኣብ ኤርትራ መርመራና ክቕጽል ምዃኑን፡ ሓደስቲ ጭብጥታት እንተ ተረኺቦም ድማ ደጊምና ነቲ ጉዳይ ክንምለሶ ኢና\" ክብል ዳይረክተር ናይቲ ትካል ኣቶ ሙሉብርሃን ተመልሶ ኣጠንቂቑ። እቲ ንምህናጽ ጽርግያ ኣቐዲሙ ዝተዋህበ 80 ሚልዮን ዩሮ፡ ብመገዲ ንግዳዊ ትካል ህግደፍ ዝኾነ ኩባንያ ንግዳዊ ኮርፖሬሽን ቀይሕ ባሕሪ ዝመሓደር ምዃኑ ተወሳኺ ምጥርጣራት ከምዝፈጠረ ይግለጽ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54272408"} {"headline":"ኤርትራውያን ዶኳትር ንምንታይ'ዮም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክሰርሑ ዘይክእሉ?","content":"ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓባይ ብርጣንያ ( NHS )፡ ኣብታ ዓዲ ክሳብ ዶክተር ዝበጽሕ ሞያ ዘለዎም ሞያውያን ስደተኛታት ኣብ ምጽናዕ ይርከብ። እዞም ስደተኛታት ምስ ዓቕሞምን ወረቐቶምን እንከለዉ፡ ዶኳትር ክንሶም ኣብ ፋብሪካታት ከምኡ'ውን ፒሳ ኣብ ምብጽጻሕ ዝሰርሑ ይርከብዎም። ዶክተር የማነ ሓደ ካብኦም ኮይኑ፡ ብዙሕ ዘረባ ዘይፈቱን ቁጡቡን እዩ። ኣብ ጥቓ ሚድልስብሮ መደበር ባቡር ኣብ ዝርከብ እንዳ ሻሂ ኢና ዕላልና ኣካይድናዮ። ዶክተር የመነ ምስ ኣዕሩክቱን መማህርቱን'ዩ መጺኡኒ፤ ብዛዕባ ነብሱ ክዛረብ 'ዝጅሃር' ዘሎ ከይመስል ዝበዝሐ ክፋል እቲ ዕላልን እቲ ናቱ ሓቕን እቶም ኣዕሩኽቱ'ዮም ዘዕልልዎ ነይሮም። እዚ ካብ ኤርትራ ዝመጸአ ስደተኛ ዶክተር ዕድሚኡ 35 ዓመት'ዩ። ኣብ 2014 ኣብ ዝተገበረ ዓለማዊ ኣኼባ ጥዕና፡ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ኣገልግሎት ጥዕና ኣዝዩ ትሑት ምኻኑ ድሕሪ ምግላጹን፡ ቅድሚኡን ድሕሪኡን ናብራ ኣብ ኤርትራ ስለ ዘይጠዓሞ ካብ ሃገሩ ሃዲሙ ብምውጻእ ሕቶ ዑቕቡኡ ቅቡል ኮይኑ ኣብ በርኒንግሃም'ዩ ዝነብር ዘሎ። \"ዓባይ ብርጣንያ ሕቶ ዑቕባይ ተቐቢላ ተንብረኒ ስለ ዘላ እናመስገንኩ፤ ግን ናብ ፍጹም ምሉእነት ንኸይበጽሕ ዝዕንቕጸኒ ስምዒታት ኣለኒ\" ይብል። ዶክተር የማነ ብምስዓብ \"ምኽንያቱ ሓደ ስደተኛ ሸኽሚ ሕብረተሰብ ክኸውን ኣይደልይን እዩ፤ እምበሺ ኣነ ነዚ ሕብረተሰብ ከበርክቶ ዝኽእል ብዙሕ ነገር ኣሎ\" ኢሉ። ዶክተር የማነ ኣብ ሓደ ፋብሪካ ከም ተሓጋጋዚ ኣላዩን ብውልቁ ኸኣ ወለንታዊ ሓጋዚ ስደተኛታት ኮይኑ እዩ ዝሰርሕ። እናተዛረበ ነቲ ሒዝዎ ዝነበረ መጽሓፍ እናሻዕ ይገናጽሎ። እቲ መጽሓፍ ብዛዕባ ስነ መድሃኒት እዩ። የማነ ኣብ ኤርትራ ደኣ ዶክተር ተባሂሉ ይመረቕ'ምበር ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ግን ዶክተር ኮይኑ ክሰርሕ ኣይተፈቐደሉን። ንሱ፡ ኣብ 2004 ብሓገዝ ኵባውያን ሓካይም ዝጀመረት ቤት ትምህርቲ ሓፈሻዊ ሕክምናን፡ ሕክምና ስንን ኦሮታ ኣብ ካልኣይ እብረ ካብ ዘመረቐቶም ተማሃሮ እዩ። ኣብታ ቤት ትምህርቲ መጥባሕትን ስነ መትንን (ኒዮሮሎጂ) ዝርከቦም ንሸሞንተ ዓመታት ዝወሰደ ትምህርቲ ተኸታቲሉ። እቲ ኣገባብ ትምህርትን ፈተናታትን ካብ ስዊዘርላንድ፣ ሱዳንን ኣሜሪካን ዝመጽኡ ፕሮፌሰራት'ዮም ዘማእክልዎም ነይሮም። ዶክተር የማነ ብዛዕባ ነብሱ ብዙሕ ክዛረብ ስለ ዘይደሊ\" ተወዳዳሪ'የ ነይረ\" ጥራይ እዩ ኢሉ ሓሊፍዎ። እነተኾነ ጸብጻብ ትምህርቲ ከም ዘርእዮ ተወዳዳሪ ጥራይ ዘይኮነ ዳርጋ ኩሉ ነጥቡ ልዑልን 'A' እናኣምጸአን እዩ ትምህርቱ ዛዚሙ። እንተኾነ እዚ ውጽኢት፡ ነቲ ንብቕዓት ዶኳትር ብምምዛን ኣፍልጦ ዝህብ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ዝርከብ ጉባኤ ሓፈሻዊ ሕክምና (General Medical Council) እኹል ኣይነበረን። እዚ ዶክተር የማነ ኣለኒ ዝብሎ ዘሎ ክእለት ካብ ቤት ትምህርቲ ሓፈሻዊ ሕክምናን፡ ሕክምና ስንን ኦሮታ ከምኡ እውን ካብ መንግስቲ ኤርትራ መረጋገጺ ወረቐት ክስነዮ ኣለዎ። እንተኾነ እቲ 'ገባርን ሓዳግን' ዝኾነ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ካብ ሃገሩ 'ብዘይሕጋዊ' መገዲ ዝወጽኡ ከምዚ ዓይነት ደገፍ ክገብር ኣይረአን'ዩ፤ ዶክተር የማነ ኸኣ እዚ'ዩ ተሪፍዎ ዘሎ። ቢንያም ኣርኣያ ዓርኪ ዶክተር የማነ ኮይኑ ኣብ ሚድልስብሮ ዝርከብ ስደተኛታት ዶኳትር ብሞይም ንክሰርሑ ኣብ ዝማጎት ማሕበር ግብረ ሰናይ ዝሰርሕ እዩ። \"መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይህብን እዩ፡ እዚ ኸኣ ሓደ ንስደተኛታት ንምቁጽጻር ዝጥቐመሉ ሜላ እዩ\" ይብል። ብምስዓብ \"ኤርትራ መሓዛ ምዕራባውያን ኣይኮነትን፡ ሰሜን ኮርያ ናይ ኣፍሪቃ እናተብሃለት'ያ ትጥቐስ፤ እቲ ስርዓት ገባርን ሓዳግን ስለ ዝኾነ ከመይ ኣቢሉ ምስ ጉባኤ ሓፈሻዊ ሕክምና ሓበሬታ ክለዋወጥ ንጽበ?\" ይብል። ርክብ ዶክተር የማነን ቢንያም ኣርኣያን፡ ቢንያም ኣርኣያ ዶኳትር ስደተኛታት ብሞይኦም ንኽሰርሑ ምስ ዝማጎት ማሕበር ግብረ ሰናይ ከም ዝሰርሕ ኣብ ቢቢሲ ምስ ኣንበበ'ዩ ካብ በርኒንግሃም ናብ ሚድልስበሮ ግዒዙ። ካብቲ ኣብ ቢቢሰ ዘንበቦ፡ ዞባ ቲሳይድ ሕጽረት ሓካይም ከም ዘለዋ ስለዝፈለጠ ኸኣ ተስፍኡ ሰማይ ዓረገ። ኣብ መጀመርታ ንዝተወሃቦ ናይ እንግሊዝ ፈተና ብግቡእ ስለ ዝመለሶ ኸኣ ተስፍኡ ናብ ዓወት ዝተቓረበ መሰሎ። እንተኾነ ብድሕሪ እዚ ፕላብ 1 ከምኡ እውን ፕላብ 2 ዝብሃል ፈተናታት ስለ ዝነበሮ ግን ስክፍታ ነይርዎ፡ ካብ ስክፍትኡ ኣይወጸአን። ጉባኤ ሓፈሻዊ ሕክምና የማነ ነዚ ፈተና ክፍተኖ ከም ዘይፍቐዶ ኣርድእዎ። ዶክተር የማነ ብግዲኡ ብምቕሉል ዘረባ ጉባኤ ሓፈሻዊ ሕክምና ንጉዳዩ ዳግማይ ክርእይሉ ምሕጽንትኡ ኣቕረበ። \"ጉባኤ ሓፈሻዊ ሕክምና ክሳብ ሕጂ ንጉዳየይ ዘለዎም ተገዳስነት ደረት ዘይበሉ ናእዳ እዩ ዘለኒ፤ እንተኾነ እኩል ኣይኮነን\" ብምባል ንጉዳዩ ብዲፕሎማስያዊ ኣዘራርባ ይገልጾ። ንጉዳይ ዶክተር የማነ ብትኹረት እትከታተል ኣብ ዞባ ቲሳይድ ትሰርሕ ዝነበረት ጥሮታ ዝወጽአት ዶክተር ማርጋሬት ሂንማን ንዓቕሊ ዶክተር የማነ ብምንኣድ \"እዚ ብቕኑዕ ኣገባብ ንክረአ ክንረባረብ ኢና\" ብምባል ክሳብ ሕጂ ተበጺሑ ብዘሎ ምዕባለ ዕግብቲ ከም ዘይኮነት ትገልጽ። ንዶክተር የማነ ብብዙሕ ነገራት እያ ትተሓጋገዞ። ነታ ሕጂ ዘንብባ ዘሎ መጽሓፍ ናይ ስነ መድሃኒት'ውን ንሳ ዝሃበቶ እያ። \"እዞም ሰባት ድሉዋት ዶኳትር'ዩም፡ ናብዚ ንክበጽሑ ኸኣ ብዙሕ መሰናኽላት'ዮም ሰጊሮም። ሕጽረት ሓካይም ኣለና እናበልና፡ ንኸም ብዓል ዶክተር የማነ ምስራሕ ክንከልኦም ሃየንታ ኣለዎ\" ትውስኽ ዶክተር ማርጋሬት ሂንማን። ተመሳሳሊ ጉዳይ ዝነበሮም ኣርባዕተ ሞያውያን ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓባይ ብርጣንያ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ብምዝኽኻር \"ዶክተር የማነ ካብዞም ሰባት ዝፍለየሉ ምኽንያት ኣይርኣየንን'ዩ\"። \"ኣብ ቤት ትምህርቲ ሓፈሻዊ ሕክምናን፡ ሕክምና ስንን ኦሮታ ንዶክተር የማነ መምህሩ ካብ ዝነበረ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣሎ፡ ውጽኢት ፈተና የማነ ኣብ ኢድና ኣሎ። እቲ ዘገርም ነገር ከም ብዓል ኦስትርያን ስውዲንን ዝኣመሰላ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ልኽዕ ከም ናይ የማነ ወርቐት ዘለዎም ተቐቢለን የስርሐኦም ምህላወን እዩ\" ትብል ዶክተር ማርጋሬት። ዶክተር ሳህለ ንዶክተር የማነ መማህርቱ ኾይኑ ካብ ኤርትራ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን እዮም ወጺኦም። ዶክተር ሳህለ ኣብ ኦስትርያ ዑቕባ ድሕሪ ምርካቡ፡ ዘለዎ ወርቃቕቲ ኣቕሪቡ ብቋንቋ ጀርመን ፈተና ተፈቲኑ። ውሱን ሕክምናዊ ትምህርቲ ድሕሪ ምውሳድ ኣብ ሓደ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኦስትራ ዝርከብ ግራዝ ዝብሃል ዓቢ ሆስፒታል ቀዋሚ ሰራሕተኛ ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ። ወትሩ ኣብ ስራሕ ዝተጸመደ ብምኻኑ ድሕሪ ናይ መዓልታት ቆጸራ ኢና ክንረክቦ ክኢልና። ዶክተር ሳህለ \"ብሓቂ ፍትሓዊ ኣይኮነን፡ ንዶክተር የማነ ጥንቑቕን ተኸናኻንን ዝኾነ ሓኪም፡ ፕሮፎሽናልን ጻዕራምን ምኻኑ እየ ዝምስክር። ዕድል እንተሂበሞ ክሳብ ክንደይ ብቑዑን ተወዳዳርን ምኻኑ መርኣዮም ነይሩ\" ኸኣ ይብል። ዶክተር ሳህለ ናብ ኣውሮጳ ምስ መጺአ ሓዲሽ ህይወት ከም ዝጀመረ ብምሕባር፡ ምስ ዶክተር የማነ ኣብ ከክልተ ሰሙን እናተደዋወሉ ኩሉ መዳያዊ ዕላላት ከም ዘልዕሉ ብምሕባር፡ የማነ ዘለዎ ጽምኢ ፍልጠት ካብቲ ኣቐንዛዊ ዕላላቶም ምኳኑ ይጠቕስ። \"ሓደ ዓይነት ወረቃቕቲ እዩ ዘለና፡ ኣነ ይሰርሕ ኣለኹ ንሱ ግን ኣይተፈቐዶን ዝገርም ነገር እዩ\" ይብል ዶክተር ሳህለ። ቢንያም ኣርኣያ፡ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ካልኦት ኣርባዕተ ኤርትራውያን ዶኳትር ብሞይኦም ክሰርሑ ስለ ዘይተፈቐዶም፡ ኣብ ፋብሪካታትን ኣብ ኣብያተ መግብን ከም ኣበጻጻሕቲ ፒሳ ኮይኖም ይሰርሑ ከም ዘለዉ ይጠቕስ። \"ኣዝዩ ልቢ ዝትንክፍ እዩ፡ ተስፋ ቆሪጾመን እዮም፡ ንምንታይ ኢና ግን ዳግማይ ንቀጽዖም ዘለና\" ብምባል ነቲ ንሱ መልሲ ዘይረኸበሉ ሕቶ ወስ የብል። ጀን ዱርኪን ኣብ ምዝገባ ጉባኤ ሓፈሻዊ ሕክምና ተሓጋጋዚት ዳይሬክተር እያ። ብዛዕባ ዝባኽን ዘሎ ዓቕሚ ሰብ ምስ ተወከስክዋ፡ ቀዳማይ ኣተኩሮ ጉባኤ ሓፈሻዊ ሕክምና፡ ሕሙማት ግቡእ ሓኪም ንክረኽቡ፡ እቶም ዶኳትር ግቡእ መስርሕ መምዘኒ ብቕዓት ዝሓለፉን ዘለዎም ወረቐቶምን ብቕዓትን ዝሳነ ምኳኑ ምርግጋጽ'ዩ ትብል። ብዛዕባ ጉዳይ የማነ ንዝምልከቶም ሰብ መዚ ኤርትራ ሓቲታ መልሲ ዘይምርካባ ኸኣ ጉዳይ የማነ መዛዘሚ ከይረክብ ዓንቒጹ ከም ዝሓዞ ትጠቕስ። ከም ናይ የማነ ተመሳሳሊ ወረቛቅቲ ዘለዎም ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብርት ክሰርሑ ከም ዝተፈቐዶም ምስ ሓበርክዋ ግን፡ ኣብ ውሳኔ ናይ ካልኦት ሃገራት ርኢቶኣ ክትህብ ከም ዘይትደሊ'ያ ገሊጻትለይ። \"ዕንቅፋት ኣይኮንናን ንኸውን ዘለና፡ እቲ ሕጊ ግን ብቕዓት ከነረጋግጽ የገድደና'ዩ\" ትውስኽ ጁን ዱርኪን። እንተኾነ ኣብዚ ሓደ ዘይስገር ሓቒ ኣሎ። ሓደ ፖሎቲካዊ ስደተኛ ካብ ሃገሩ ሃዲሙ እናወጽአ፡ ኩሉ ሰነዳቱ፡ ኣብ ሓደ ጽሩይ ሰታሪት ዓሺጉ፡ በቲ ዝሃድመሉ መንግስቲ ማሕተም ተነቢርዎ ኣይኮነን ዝወጽእ፡ የማነ ኸኣ እዚ ጎዲልካ እዩ ዝብሃል ዘሎ። ጀን ዱርኪን ኣብ ሞንጎ ዕላልና ጉዳይ ኤርትራውያን ዶኳትር ፍልይ ኢሉ ከም ዝርኣይን ጉባኤ ሓፈሻዊ ሕክምና ፈተና ፕላብ 1 ከምኡ እውን ፕላብ 2 ክፍተኑ ከም ዝተፈቐዶም ሓቢራትኒ። ምስቲ ኣልዒልና ክንዘራረቦ ዝጸናሕና ምውህሃድ ስለ ዝኣበየኒ ደጊመ ሓቲተያ። \"እወ ክፍተኑ እዮም\" ኣብ ገጻ ፍሽኽታ እናተነበበ \"ብርግጽ ክፍተኑ ፈቂድናሎም ኣለና\" ኢላትኒ። ዶክተር የማነ ነዚ ፈተና እንድሕር ሓሊፉ፡ ዶክተርነቱ ተረጋጊጽሉ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓባይ ብርጣንያ ብምምልካት ብሞይኡ ስራሕ ክጅምር ክኽእል'ዩ ማለት ድዩ? ዝስዓበ ሕቶይ እዩ ነይሩ። \"ኣይፋል! እቲ ፈተና እንድሕር ሓሊፍዎ ብቕዓት ከም ዘለዎ ጥራይ ኢና ከነረጋግጽ፤ እንተኾነ ንጉዳይ እቲ ዘይተጻረየ ሰነዳቱ ምስ ናይ ዓባይ ብርጣንያ ሕጋዊ ጉዳያት ንምዝማድ ናብኡ ከነምርሖ ኢና\" ኢላትኒ። እዚ ንብዓል ዶክተር የማነን መሰልቱን ከምኡ እውን ኣብ ጸገሙ ኣብ ጎኑ ደው ንዝበሉ ቢንያም ኣርኣያ፡ ማርጋሬት ሂንማንን ካልኦትን ተስፋ ዝህብን ናይ ሓጎስ ቶርታ ክቆርሱን ዝቕስብ እዩ። \"ዓቢ ዜና እዩ፡ ኣነን ኣዕሩኽተይን ተሓጒስና ኣለና\" ይብል ዶክተር የማነ። ፈተና ናይ ዶክተር የማን ምዓስ ምኳኑ ገና ኣይተወሰነን ዘሎ፡ ምናልባት ዓመት ይወስድ ይኸውን፡ ቢንያም ኣርኣያ ጉባኤ ሓፈሻዊ ሕክምና ብዛዕባ ዶክተር የማነ ዘድልዮም ሓበሬታ ንኽረክቡ ንሱን ማሕበሩን ተወሳኺ ጻዕሪ ከምዝገብሩ ብምጥቃስ ናብቲ ተወጢኑ ዝነበረ ኣኼብኡ ኣምረሐ። ዶክተር የማነ ድሕሪ እዚ ብስራት ሓዘል መልእኽቲ እቲ ወዲ ሽዱስተ ዓመት እንከሎ ዶክተር ናይ ምኳን ሕልሙ ኪኖ ብማዕረግ ጥራይ ብተግባር ዝሰርሓሉ እዋን ይቓረብ ኣሎ ብምባል ኣብ መጽናዕቲ'ዩ ተጸሚዱ ዘሎ። መስከረም 2020 ኸኣ ብቢንያም ኣርኣያ ተሰንዩ ኣብ ሰሜን ተስ ስራሕን ሓዲሽ ህይወትን ዝጅመረሉን እዋን ክኾነሉ ብተስፋን ጻዕርን ይጽበይ ኣሎ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50726300"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ልዕሊ 850 ሽሕ ነበርቲ ከተማ ማድሪድ ናብ ምሉእ ዕጽዋ ክኣትው እዮም","content":"ኣብ ርእሰ ከተማ ስጳኛ ማድሪድ፡ ደግሲ ለባዳ ኮሮናቫይረስ ስለዘጋጠመ ገለ ክፋል እታ ከተማ ናብ ምሉእ ዕጽዋ ክኣቱ ከምዝተኣወጀ ተሓቢሩ። ልዕሊ 850 ሽሕ ነበርቲ ከተማ ማድሪድ ካብ ሰኑይ ጀሚሮም ካብ ገዝኦም ከይወጽኡ ክግደዱ እዮም። ስጳኛ ካብ ሃገራት ኣውሮጳ ዝበዝሑ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዘለውዋ ሃገር ኮይና ከተማ ማድሪድ ድማ እታ ኣዝያ ብኮሮናቫይረስ ተጠቂዓ ዘላ ከተማ እያ። ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ ክቢ ዝርከባ መብዛሕትአን ሃገራት ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ የጋጥመን ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ። ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሃገራት ካብ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክጥንቀቓን ምድላዋተን ከጻፍፋን ይምዕድ ኣሎ። ፈረንሳ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ኣብ ሓደ መዓልቲ 13215 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ብምርካባ፡ እዚ ቁጽሪ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝተረኸበ ዝለዓለ ቁጽሪ ኮይኑ ተመዝጊቡ’ሎ። ሓደ ካብዞም ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም ሚኒሰተር ፋይናንስ ፈረንሳ ብሩኖ ሊ ማይረ እዩ። ዓባይ ብርጣንያ’ውን ብዓርቢ 4322 ሓዲሽ መልከፍትን ሞት 27 ሰባትን ኣመዝጊባ ኣላ። እዚ ቁጽሪ እዚ ድማ ኣብታ ዓባይ ብርጣንያ ድሕሪ ግንቦት 8 ዝተመዝገበ ዝለዓለ ቁጽሪ ኮይኑ ተመዝጊቡ’ሎ። ኣብ ማድሪድከ እንታይ እዩ ዘጋጥም ዘሎ? ብመሰረት ካብ ጆንስ ሆፕኪንስ ዩንቨርሰቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ሃገረ ስጳኛ 625,651 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ኣለዉዋ። ኣብ ማድሪድ ዘሎ መጠን መልከፍቲ ምስ ካልእ ክፋል እታ ሃገር ብምዝማድ ብዕጽፊ ከምዝዛይድ መንግስቲ ስጳኛ ይሕብር። ብሰንኪ እዚ ገለ 37 ምምሕዳራት ከተማ ማድሪድ ካብ ሰኑይ ጀሚረን ኣብ ምሉእ ዕጽዋ ክኣትዋ’የን። ነበርቲ እዘን ምምሕዳራት ናብ ስራሕን ሕክምናን ከኸዱ ጥራዩ እዮ ካብ ገዝኦም ክወጽኡ ክፍቀደሎም። ኣብ ውሽጢ ካንሸሎኦም ኮይኖም ዝተኣኻኸቡ ድማ ካብ ሽዱሽተ ሰባት ከይበዝሑ ዝኽልክል ሕጊ ጸዲቑ ኣሎ። ላዕለወይቲ ሓላፊት ምምሕዳር ዞባ ማድሪድ ኢዛቤል ድያዝ ኣዩሶ “እዘን 37 ምምሕዳራት ማድሪድ ኣብ ዝሓለፈ 14 መዓልታት ኣብ 100 ሽሕ ሰባት ሕደ ሽሕ መልከፍቲ እየን ከመዝግባ ጸኒሓን” ኢላ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54216665"} {"headline":"ኣውሮፓ፡ ሓድሽ ውጥን ስደተኛታት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ","content":"ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ፈላላዩ ዝነበረ ጉዳይ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ዝምልከት እቲ ሕብረት ግድነት ክግበር ኣለዎ ዝበሎ ዝርዝር ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ከውጽእ’ዩ። ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ነተን ብብዝሒ ስደተኛታት ዝቕበላ ሃገራት ገንዘባዊ ድጎማ ክህባን ኩለን ንስደተኛታት ኣብ ዝምልከት ወጻኢታት ማዕረ እጃም ክህልወን ዝብል እማመ ከጽድቓ ትጽቢት ተገይሩ ኣሎ። እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ካብ ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ምርኩስ ብምግባር እቲ እማመ ካብ ብዙሓት ኣባላት ኣውሮጳዊ ሕብረት ተቃውሞ ከጋጥሞ ከም ዝኽእል’ዩ ዝግመት። ኣብ 2015 ብመንገዲ ጣልያንን ግሪኽን ስደተኛታት ብብዝሒ ናብ ኣውሮጳ ምስ ኣተዉ፡ ብጉዳይ ኣተሓሕዛ ዋሕዚ ስደተኛታት ኣብተን 27 ኣባላት ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣፈላላይ ተራእዩ’ዩ። ግሪኽን ጣልያንን ኣብ ሴሜናዊ ሸነኽ ኣውሮጳ ዝርከባ ሃገራት ኢደን ኣጣሚረን፡ ኣብ ማእከላይን ምብራቅ ኣውሮጳ ዝርከባ ሃገራት ድማ ነቲ ስደተኛታት ብኮታ ምቅባል ዝብል ሓሳብ ነጺገነኦ ብምባል ክኸሳ ጸኒሐን’የን። እቲ ሓደሽ ውጥን እንታይ’ዩ? ብመሰረት እቲ ስምምዕነት: ነብሲ ወከፍ ኣባል ሃገራት ንሓደ በጽሒ ስደተኛ 10 ሽሕ ዩሮ፣ ንሓደ ቆልዓ ድማ 12 ሽሕ ብምውሳድ ስደተኛታት ክቕበላ ግድነት ኣለወን። ነዚ ስምምዕ ዝጥሕሳ ሃገራት ድማ: ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርባን ክቕጽዓን'የን ተባሂሉ። እዚ ሓዲሽ ውዕል ቻንስለር ጀርመን ኣንጌላ መርከል ክትጠልቦን ብተደጋጋሚ ክትሓተሉን ዝጸንሐት ኮይኑ ኣብ ግሪኽ ኣብቲ ልዕሊ 12 ሽሕ ስደተኛታት ዝነብርሉ መዓስከር ስደተኛታት ሞርያ ባርዕ ሓዊ ምስ ኣጋጠመ እቲ ኣርእስቲ ዳግማይ ንኽበራበር ምኽንያት ከም ዝኾነ እዩ ዝግለጽ። ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሞርያ ባርዕ ሓዊ ምስ ኣጋጠመ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ነቶም ብዘይ መዕቆቢ ተሪፎም ዘለዉ ኣመልኪትን ገለ ስጉምቲ ክወስዳን ጻውዒት ክግብር ጸኒሑ። ‘ሴቭ ዘ ችልድረን’ ዝተሰመየ ገባሪ ሰናይ’ውን እቲ ኣብ መዓስከር ሞርያ ዘጋጠመ ቅልውላው ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ካብ ሕሉፍ ጌግአን ክምሃራ ስለ ዘይከኣላ ዘጋጠመ’ዩ ብምባል ነቲ ሕብረት ከሲሱ። ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን 10 ሃገራት ኣውሮጳ 400 ካብቶም ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሞርያ ዘለዉ ትሕቲ ዕድመ ክወስዳ ከም ዝሰተሰማማዓ ጀርመን ገሊጻ ነይራ። ካብዞም ካብ መዓስከር ስደተኛታት ሞርያ ክውሰዱ ዝተብሃሉ እቶም ዝበዝሑ ናብ ጀርመንን ፈረንሳን እዮም ክኸዱ። እንተኾነ እዚ ሕዲሽ ቀሪቡ ዘሎ ውጥን፡ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝኣተዉ ስደተኛታት እተን ሃገራት ብስሩዕ ብኸመይ ከም ዝማቐለኦም ከቐምጥ እዩ። ስደተኛታት ናብ መሬት ኣውሮጳዊ ሕብረት ምስ ረገጹ ቀልጢፎም ክመዳደቡን፡ እቶም ዕቑበኦም ዝተነጽገ ድማ ቀልጢፎም ክምለሱን ዝብል ነጥቢ’ውን ክሰፍር እዩ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54262667"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ መራሕቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንቊጠባ እቲ ዞባ ንምሕዋይ ገዚፍ ባጀት ሰሊዖም","content":"መራሕቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ዝርርብ ኣብ ቊጠባዊ ምሕዋይ እቲ ዞባ ዝውዕል ገዚፍ ባጀት ክስላዕ ተሰማሚዖም። እቲ 27 ሃገራት ዝጥርንፍ ዞባ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ንዝወረደ ቁጠባዊ ዕንወት ንምሕዋይ 859 ቢልዮን ዶላር ኣጽዲቑ'ሎ። ነቲ ዝርርብ ዝመርሕ ዝነበረ ቻርለስ ሚኪል፡ \"ንኤውሮጳ ወሳኒ ህሞት\" ክብል ገሊጽዎ። እቲ ዝርርብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝተጀመረ ኮይኑ፡ ነተን ብኮሮናቫይረስ ዝያዳ ተሃሲየን ዘለዋ ሃገራት ዝኸውን 390 ቢልዮን ዩሮ ደገፍ ክግበር ከምዝተሰማምዑ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ገሊጹ። እተን 'ብምቑጣብ' ዝፍለጣ ሃገራት ስዊድን፡ ደንማርክ፡ ኣውስትርያ፡ ኔዘርላንድ ከምኡ'ውን ፊንላንድ፡ ነተን ብኮሮናቫይረስ ዝያዳ ዝተሃስያ ሃገራት 500 ቢልዮን ዩሮ ሓገዝ ምግባር ንዝብል ተቓዊመንኦ። ብቀዳማይ ሚኒስተር ኔዘርላንድ ዝምራሕ ዝነበረ ጉጅለ፡ እቲ ዝወሃብ ገንዘብ ልዕሊ 375 ቢልዮን ዩሮ ክኸውን ከምዘይብሉ ኣብቲ ኣኼባ ኣስሚሮምሉ። ከም በዓል ስጳኛን ጥልያንን ግን ትሕቲ 400 ቢልዮን ዩሮ ከምዘይቕበላ ብወግዒ ኣፍሊጠን ነይረን። ኣብ መወዳእታ ግን እተን ቖጣባት ሃገራት ስዒረን፡ እቲ ዝወሃብ ሓገዝ 390 ቢልዮን ዩሮ ክኸውን ተሰማሚዖም። እቶም መራሕቲ እንታይ ኢሎም? መራሒ ፈረንሳ ኤማንኑል ማክሮን \"ታሪኻዊ መዓልቲ\" ክብል ገሊጽዎ። መራሒት በልጁም ሶፊ ዊልምስ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፈቶ ድማ ''ቅድሚ ሕጂ ንመጻኢ ኤውሮጳ ዝኸውን ወፍሪ ተራእዩ ኣይፈልጥን\" ክትብል ገሊጻቶ። ኣቦ ወንበር ኤውሮጳዊ ሕብረት ብወገኑ፡ \"መራሕቲ ንመጻኢ ኤውሮጳ ሓባራዊ ሓላፍነት ኣርእዮም\" ክብል ነቲ ዝተረኸበ ውጽኢት ንኢዱ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53482703"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ኣውስትራልያ ካብ ቻይና ንዝመለሱ ዜጋታታ መጽንሒ ደሴት ፈልያ","content":"ቁጽሪ ግዳያት ኮሮናቫይረስ እናወሰኸ ብምምጽኡ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ወጻእተኛታት ካብታ ማእከል ለበዳ እቲ ሕማም ዝኾነት ቻይናዊት ከተማ ዉሃን ከምዝገዓዙ ተገሊጹ። ኣውስትራልያ ንዝምለሱ ዘለው 600 ዜጋታታ ንኽልተ ሰሙን ኣብ ደሴት ክሪስመስ ክተውሽብ ምዃና ተፈሊጡ። ደሴት ክሪስመስ ካብ ቀንዲ ገማግም ኣውስትራልያ ኣብ 2000 ኪሜ ርሕቐት እዩ ዝርከብ። ጃፓን፡ ኣሜሪካ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት'ውን ዜጋታቶም የውጽኡ ኣለው። ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒን ነቲ \"ድያብሎስ\" ዝበሎ ቫይረስ ሃገሩ ክትስዕሮ ምዃና ተዛሪቡ። እቲ ለበዳ ንዝቕጽል 10 መዓልትታት ክውስኽ ከም ዝኽእል ሓደ ክኢላ ሃገራዊ ኮምሽን ጥዕና ቻይና ገሊጹ። ቁጽሪ ናይቶም በቲ ሕማም ዝሞቱ ሰባት ኣብ ቻይና 132 ከም ዝበጽሐ ሃገራዊ ኮምሽን ጥዕና ቻይና ብረቡዕ ኣፍሊጡ። እቲ ቫይረስ ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣብ ዕዳጋ ዓሳ ከተማ ዉሃን ዝተሸጡ ዓሳታት ዝሰዓበ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት። እቲ ሕማም፡ ብርቱዕ ረኽሲ ኣብ ስርዓተ ምስትንፋስ ዘስዕብ ኮይኑ፤ ዛጊት ፈውሲ ኮነ መከላኸሊ ክታበት ኣይተረኽቦን። ቁጠባ ሃስያ እቲ ሕማም እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ስታርባክስ ዝተብሃለ ፍሉጥ ቤት መግቢ ኣብ መላእ ቻይና ዝርከቡ ድኳናቱ ነቶም ፍርቂ ከም ዝዓጸወ ተገሊጹ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51291625"} {"headline":"‘ኩሎም ወገናት ኢትዮጵያን ጎረባብትን’ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ከህድኡ ሕብረት ኣውሮጳ ጸዊዑ","content":"ኣብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ጆሴፍ ቦሬል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት \"ኣዝዩ ዘተሓሳስብ\" ምዃኑ ገሊጹ። ንጉዳያት ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ \"ኣብ'ታ ሃገር ልዕሊ ዝኾነ እዋን፡ ንኹሎም ፖለቲካዊ ኣካላት ዘሳትፍ ፖለቲካዊ ስምምዕ ዘድልየሉ እዋን እዩ\" ኢሉ። \"ኩሎም ወገናት ኢትዮጵያን ጎረባብትን፡ ነቲ ምትፍናን ከህድኡ፡ ዘረሳስን ቃላት ካብ ምጥቃም ክቑጠቡን፡ ቶኽታዂ ወታሃደራዊ ምንቅስቓስ ካብ ምክያድ ክሕየቡን\" ጸዊዑ። መንግስቲ ኤርትራ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ንህወሓት ኣትሪሩ ዝነቅፍ \"ሓተታ\" ኣውጺኡ ነይሩ። እቲ ኣብ መንጎ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ፌደራላዊ መንግስትን፡ ብህወሓት ዝምራሕ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝጸንሐ ወጥሪ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት እናገደደ ምምጽኡ፡ ናብ ግጭት ከየምርሕ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ'ሎ። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ \"ዕርያ\" (ለውጢ) ክቕጽል ድላዩ ምዃኑ ዝገለጸ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ እዚ ክዕወት ዝኽእል ግን፡ \"ልዕልና ሕጊ እናኽበርካን፡ ሰብኣዊ መሰላት እናሓለኻን እዩ\" ክብል መርገጺኡ ኣፍሊጡ። ጆሴፍ ቦሬል፡ ካብ 8-9 ጥቅምቲ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ ነይሩ። ፌደራላዊ መንግስትን መንግስቲ ክልል ትግራይን፡ ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ብምንፍፋግ፡ ርክብ ኣቋሪጾም ምህላዎም ይፍለጥ። መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ሰራዊት ክእዝዝ ኣይክእልን'ዩ፡ ክብል ድሕሪ ምግላጹ፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ናብቲ ክልል ከይኣትዉ ከልኪሉ ይርከብ። ርእሰምምሕዳር ናይቲ ክልል፡ ዶ\/ር ደብረጽዮን ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ'ውን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣንጻር ክልል ትግራይ ይዳሎ ከምዘሎ ብምግላጽ ብወገኖም'ውን \"ሰራዊት ኣዳሊና ኣለና\" ክብል ኣጠንቂቑ'ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ እቲ ጉዳይ ብሕጋዊ ኣገባብ ጥራይ ክፈትሖ ከምዝደሊ ክገልጽ ምጽንሑ ይዝከር። እቲ ሚኒስተር መራሕቲ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን፡ ህወሓት ኣብቲ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ትማሊ ዝተፈጸመ \"ጃምላዊ ቅትለት\" ኢድ ኣለዎ ክብሉ ክኸሱ ውዒሎም ኣለዉ። ህወሓት ነቲ ክሲ ክነጽጎ ምጽንሑ ይፍለጥ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54786916"} {"headline":"ዝተመረዘ ሩስያዊ ፖለቲከኛ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ስጉምቲ ክወስድ ጀርመን ጸዊዓ","content":"ሕብረት ኣውሮጳ፡ ምስ ምምራዝ ቀንዲ ተቓዋሚ ሩስያዊ ፖለቲከኛ ኣለክሰይ ናቫልኒ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ስጉምቲ ክወስድ እንተዘይኪኢሉ፡ ኣገዳስነቱ ከምዝስእን ሓደ ላዕለዋይ ኣባል ፓርላማ ጀርመን ተዛሪቡ። ቀንዲ መሻርኽቲ መራሒት ጀርመን፡ ቻንስለር ኣንገላ መርከል ምዃኑ ዝንገረሉ፡ ኣቦመንበር ኮሚተ ጉዳያት ወጻኢ ፓርላማ ዝኾነ ኖርበርት ሮትገን፡ እቲ ጀርመን ምስ ሩስያ ዘለዋ ናይ ጋዝ ውዕል ዳግመ-ግምት ክግበረሉ ኣለዎ ኢሉ'ሎ። እቲ ኣብ ጀርመን ሕክምናዊ ክንክን ዝግበረሉ ዘሎ ሩስያዊ፡ ብኖቪቾክ ዝተባህለ መርዛም ጋዝ ከም ዝተሰመመ ድሕሪ ምርግጋጹ፡ መንግስቲ ሩስያ ካብ ብዙሓት ወገናት ኩነኔ ክበጽሖ ቀንዩ። ንሱ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ብጽኑዕ ሓሚሙ ኣብ ከተማ በርሊን ኣብ ዝርከብ ቻሪተ ሆስፒታል ይእለ ኣሎ። ብጾቱ፡ ብትእዛዝ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ከምዝተመረዘ'ኳ እንተገለጹ፡ መንግስቲ ሩስያ ግን ነቲ ክሲ ነጺግዎ'ሎ። ኖቪቾክ፡ ኣዝዩ መርዛም፡ ናይ ወታሃደራዊ ኣጽዋር መጠን ዘለዎ ብምዃኑ፡ ኣብ ኢድ መንግስታት ጥራይ ከምዝርከብ ኪኢላታት ይእምቱ። ላዕለዎት ጀርመናውያን ኪኢላታት ሕክምና፡ በቲ ባእታ ከም ዝተመረዘ \"ዘየወላውል ጭብጢ\" ከም ዝረኸቡ ገሊጾም። ኣባል ባይቶ ሮትገን፡ ሕብረት ኣውሮጳ ተሪር ግብረመልሲ ክህብ'ዩ ዝጽውዕ። \"ሕጂ'ውን ዳግማይ፡ እቲ ናይ ሰብ ክብረት ዘይብሉ ስርዓት ፑቲን ገጢሙና ኣሎ\" ክብል ንመንግስታዊ ማዕከን ዜና ጀርመን ተዛሪቡ። ፕረዚደንት ፑቲን፡ ሓይሊ ሩስያ ኣብ ሊብያ፡ ሶርያን ቤላሩስን ከምዘርኣየ ብምግላጽ፡ \"እቲ ሕቶ፡ ኣውሮጳውያን ኩሉ ሳዕ ድዮም ትም ክብሉ? ከምኡ እንተኾይኑ፡ ትርጉም ኣይክህልወናን'ዩ፡ ዕቱባት ገይሩ ዝርእየና'ውን ኣይክህሉን'ዩ\" ኢሉ። ሩስያ ብወገና፡ እቲ ጀርመናውያን ኪኢላታት ኣረጋጊጾሞ ዝበሃል ዘሎ ጭብጢ ከምዘይራኣየቶ ብምጥቃስ፡ ነቲ መርመራ ነጺጋቶ ኣላ። ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን፡ ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮጳ ቻርለስ ሚሸል፡ ዋና-ጸሓፊ ወታሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)ን ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣመሪካን ነቲ ኣብ ልዕሊ ሩስያዊ ፖለቲከኛ ዝተኻየደ ስነቀመማዊ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ ግሉጽ ምጽራይ ክግበር ጸዊዖም። ኣብ 2018 ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣባል ስለያ ሩስያ ነበር ሰርገይ ስክሪፓል ኣብ ብሪጣንያ ብኖቪቾክ ክትቀትሎ ከም ዝፈተነት ብሪጣንያ ከሲሳ ነይራ። ሽዑ'ውን 20 ሃገራት ዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ሰጒገን ነይረን። ኪኢላታት ሕክምና ጀርመን፡ ኣለክሰይ ናቫልኒ፡ ክሓዊ ምዃኑ ትጽቢት'ኳ እንተለዎም፡ ንነዊሕ ዝጸንሕ ሳዕቤናት ክስከም ምዃኑ ግን ኣይሓብኡን።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54020576"} {"headline":"መንግስቲ ብሪጣንያ ትሑት ክእለት ንዘለዎም ወጻእተኛታት ቪዛ ከምዘይህብ ገሊጹ","content":"መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ትሑት ክእለት ዘለዎም ወጻእተኛታት ቪዛ ከምዘይረኽቡ፡ እታ ሃገር ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ድሕሪ ምውጻኣ ኣብ ዝዳለዎ ትልሚ ጉዳይ ስደተኛታት ገሊጹ። በዚ ድማ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ቆጸርቲ፡ ኣብ 'ሕሳር ሓይሊ ሰብ' ኣውሮያ ምምርኳስ ገዲፎም፡ ሰራሕተኛታቶም ክዕቅቡን ኣብ ቴክኖሎጂ ከተኩሩን ገሊጹ ኣሎ። ኣብቲ ዞባ ዝነበረ ነጻ ምንቅስቓስ ኣብ ዝመጽእ ሕዳር 31 ጠጠው ምስበለ ድማ፡ ኣውሮጳውያንን ኣውሮጳውያን ዘይኮኑ ስደተኛታትን ብማዕረ ከምዝረአዩ ሚኒስትሪ ውሽቲ ዓዲ ብሪጣንያ ገሊጹ ኣሎ። ኣብታ ሃገር ዝህሉ \"ዘይምቹው ኩነታት\" ሰራሕተኛታት ንምስሓብ ከቢድ ከምዝገብሮ ውድብ ዕዮ ገሊጹ ኣሎ። ጸሓፊት ሚኒስትሪ ውሽጢ ሃገር ፕሪቲ ፓተል ግና፡ እቲ ሕጊ \"ትኽክለኛ ክእለት ዘለዎም ሰባት ንምስሓብን፡ ቁጽሪ ናብታ ሃገር ዝመጹ ትሑት ክእለት ዘለዎም ሰራሕተኛታት ንምጉዳል ከምዝኾነ\" ገሊጻ። ብተወሳኺ ቤት ዕዮታት ኣብታ ሃገር ካብ ዘለዉ ኣስታት 8 ሚልዮን ስራሕ ዘይብሎም ሰባት ክምልምሉ ከምዝኽእሉ ገሊጻ። ሃገራዊ ፓርቲ ስኮትላድ ግን መባዛሕተኦም ሰባት ጥዕናዊ ጸገም ዘለዎም ስለዝኾኑ ነቲ ውሳነ \"ሓደገኛ\" ክብል ገሊጹዎ። እቶም በቲ ሕዚ ወጺኡ ዘሎ መለክዒ ልዑል ክእለት ዘለዎም ሰራሕተኛታት ዝበሃሉ፡ ከምቲ ሕዚ ዘሎ መለክዒ ምሩቓት ጥራሕ ዘይኮኑስ፡ ብደረጃ-ኤ ዝተምሃሩ እዮም። እቲ መንግስቲ ብመሰረት ዓቃባዊ ውድብ ቃል ዝኣተዎ፡ መመዘኒ ነጥቢ መሰረት ዝገበረ ናይ ስደተኛታት ምቕባል ስርዓት እዩ ክትግብር ዝደሊ። በዚ መሰረት ድማ 70 ነጥብ ልዕሊኡን ዘምጽኡ ወጻእተኛታት ጥራሕ እዮም ንስራሕ ናብታ ሃገር ክኣትዉ ዝፈቅድ። ጽቡቕ ክእለት ቋንቋ እንግሊዝኛ፣ ስራሕ እንትቐርበሎምን ዝምውሎም ኣካል እንትርከብን 50 ነጥቢ ይረኽቡ። ዝተምሃርዎ ዓይነት ትምህርቲ፣ ዝኽፈሎም መጠን መሃያን ጠለብ ናይቲ ዝሳተፍሉ ዓውድን ድማ ተወሰኽቲ ነጥቢታት ዝረኽቡሎም መመዘኒታት እዮም። ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ዜጋታት ሃገራት ኣባላት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ደሞዞምን ደረጃ ክእለቶምን ብዘየገድስ ኣባታ ሃገር ክነብሩን ከሰርሑን መሰል ኣለዎም። ድሕሪ እቲ ኣብ ዝመጽእ ታሕሳስ 31 ዝውዳእ ውዕሊ ግን እቲ መሰል ኣይህልዎምን። ዓመታዊ ትጽቢት ዝግበረሉ ወሰን መሃያ ድማ ካብ 30 ሽሕ ፓውንድ ናብ 25,600 ፓውንድ ወሪዱ ኣሎ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51559141"} {"headline":"ጀርመን: ባንዴራ ናይ ዝኾነት ሃገር ምቅጻል ብሕጊ ከልኪላ","content":"ፓርላማ ጀርመን ባንዴራ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኮነ ናይ ዝኾነት ሃገር ኣብ ህዝባዊ ስፍራ ምቅጻል ገበን ጽልኢ ምዃኑ ብምጥቃስ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ማእሰርቲ ከቕጽእ ወሲኑ። እቲ ፓርላማ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ድምጺ፡ ናይ ዝኾነ ሃገር ባንዴራ ምምርሳሕ፡ ባንዴራ ጀርመን ከም ምምርሳሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ። እዚ ውሳነ፡ ደገፍቲ ሶሻል ደሞክራሲ ኣብ 2017 ኣብ በርሊን ኣብ ዘካየድዎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ: ባንዴራ እስራኤል ብምቅጻሎም ዝሰዓበ እዩ። ሚኒስተር ፍትሒ፡ ክርስቲን ላምብረች፡ \"ኣብ ህዝባዊ ስፍራ ባንዴራ ምቅጻል ምስ ሰላማዊ ሰልፊ ምንም ዘራኽብ የብሉን፤ እዚ ንጽልኢ፡ ቁጥዐን፡ ጎነጽን ምስዋር እዩ\" ብምባል ንስምዒት ብዙሓት ከም ዝጎድእ ተዛሪባ። እቲ ሓድሽ ሕጊ፡ ንምንዳድ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ህዝባዊ ስፍራ ባንዴራ ምቕዳድ ዝኣመሰሉ ምምርሳሕ'ውን ዝምልከት እዩ። ኣብ ጀርመን ኣብ ህዝባዊ ስፍራ: ስዋስቲካን ካልኦትን ኣርማታት ናይ ናዚን ምሓዝ ኣቐዲሙ ተኸልኺሉ እዩ። ሕሉፍ የማናዊ መርገጺ ዘለዎ ሰልፊ ኤኤፍዲ ግና \"ኣብ ነጻነት ምዝራብን ብስነጥበብ ሓሳብካ ምግላጽን ሕሉፍ ምትእትታው\" ክብል ነቲ ሓድሽ ሕጊ ኮኒንዎ። እዚ ተግባር ኣብ ፈረንሳ ክሳብ 8,000 ዶላር ወይ ሽዱሽተ ወርሒ ማእሰርቲ ከቕጽእ ከሎ፡ ኣብ ብሪጣንያ ግና ክልኩል ኣይኮነን። ኣብ ስጳኛ፡ ጥልያንን ግሪኽን ሃገራዊ ባንዴራ ምቕዳድ ብሕጊ ዘቕጽእ እዩ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52681394"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ኣንጻር ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝግበር መኸተ ይዕወት'ዶ ኣሎ?","content":"ትካል ጥዕና ዓለም፡ ኮሮናቫይረስ ዓለማዊ ለበዳ ኮይኑ'ዩ ኢሉ ካብ ዝእውጅ ልዕሊ ሽዱሽተ ወርሒ ኮይኑ። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ብደረጃ ዓለም ዝነበረ ቑጽሪ መልከፍቲ እቲ ቫይረስ ኣስታት 10 ሽሕ ኮይኑ ልዕሊ 200 ሰባት ድማ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ሞይቶም ነይሮም። እዚ ክኸውን እንከሎ ግን፡ ካብ ቻይና ወጻእ ዝተመዝገበ መልከፍቲ ኮነ ሞት ኣይነበረን። ካብዚ ግዜ ጀሚሩ ግን ባህርያት ዓለም ኮነ ኣነባብራና ተቐይሩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ህሞት፡ ከመይ ኢልና ኢና ንለበዳ እዚ ቫይረስ መኪትና ስሩዕ ህይወትና ንምምራሕ ጸዓርዓር ንብል ዘለና? ዓለም ብምልእታ እንተወሲድና፡ ቅሳነትን ህድኣትን ዘለዋ ኣይትመስልን። ልዕሊ 19 ሚሊዮን ሰባት ብመልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ክጥቅዑ ከለው፡ 700 ሽሕ ሰባት ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ሞይቶም። እቲ ለበዳ ክጅምር እንከሎ፡ ብብዝሒ መልከፍቲ 100 ሽሕ ንምብጻሕ ሰሙናት ዝወስደሉ'ኳ እንተነበረ ሕጂ ግን እዚ ቑጽሪ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት እዩ ዝምዝገብ ዘሎ። \"ሕጂ'ውን እቲ መልከፍቲ ይንህር ኣሎ፤ ኣዝዩ ከቢድን ጽዑቕን ለበዳ'ዩ። ዳርጋ ኣብ ውሽጢ ኩሉ ሕብረተሰብ ዓለም እዩ ተዘርጊሑ\" ኢላ ሰራሕተኛ ትካል ጥዕና ዓለም ዶክተር ማርጋሬት ሃሪስ። እዚ ዋላ'ውን ሓደ ለበዳ እንተኾነ ሓደ ዓይነት ዛንታ ግን ኣይኮነን። ኣብ ዓለም ዝርኣይ ዘሎ ጽልዋ ኮቪድ-19 ዝተፈላለየን ብቐሊሉ ምስ ነብስኹም ኣልጊብኩም ምስ እትርእዩዎ ካብ ሃገርኩም ወጻእ ክትሓስቡ ዘይገብር እዩ። ሓንቲ ሓቂ ግን ንኹሉ ትሓቑፎ፤ እዚ ቫይረስ ምስ ሰባት ብሓባር ናይ ምዃን ተኽእሎታት ኩሎም ኣማህሚኑ ቅድም ኢሎም ዝነበሩ ደቂ ሰባት ዘቀራርቡ ልምድታት ክውገዱ ገይሩ'ዩ። ዚያዳ ተኣኻኺብና ብሓባር ብዝኾንና ቑጽሪ እቲ ቫይረስ ብቐሊሉ ንክዝርጋሕ ዕድል ንህቦ። ኣብ ሃገራት ላቲን ኣሜሪካ [ማእከል እቲ ለበዳ] ዝርግሕኡ እንትውስኽ፡ ኣብ ህንዲ'ውን ብዘይመጠን ሰባት ይሓሙ ኣለው። ሆንግኮንግ፡ ዝርግሐ እቲ ለበዳ ንምቁጽጻር ሰባት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ክትሕዞም እንከላ፤ ሰብ መዚ ደቡብ ኮርያ ድማ ባንኪ ሒሳብን ቴሌፎናትን ውልቀሰባት ይቆጻጸሩ ኣለው። ብኣንጻሩ፡ ኤውሮጳን ኣውስትራሊያን ኣቐዲመን ዝወሰድኦ ስጉምታት ዕጽዋ ኣብ ምልዓልን ምቁጽጻር ዝርግሐ እቲ ሕማምንን ምምጥጣን ኣብዩወን ኣሎ። ስለዚ፡ ስለምንታይ ኢና ኣብ ክንዲ እቲ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዝመጽአ ሓድሽ ኣነባብራ ምልማድ ናብ ንቡር ክንምለስ ላሕ ንብል ዘለና? \"እዚ ኣብ መላእ ዓለም ዝዝርጋሕ ዘሎ ቫይረስ ስለ ዝኾነ፡ ጽልዉኡ ንኹላትና እዩ። ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝኸይድ'ዩ፤ ንሕና ድማ ብሓባር ምዃን ዝብል ዝለመድና ኢና። እቲ ጉዳይ ብዛዕባ ጉዕዞ ካብን ናብን ኣይኮነን፡ እኳ ድኣ ብዛዕባ ሓቢርካ ግዜ ምሕላፍ እዩ። ሰባት እዚ'ዮም ዝገብሩ\" ትብል መምህር ዩኒቨርሲቲ ለንደን ዶክተር ኤልሳቤታ ግሮፔሊ። ካልእ ተሪፉ፡ ብሓባር ኮይንካ ምድራፍ እኮ ምኽንያት ምትሕልላፍ እዚ ቫይረስ እዩ። ካልእ ሕንቅ ሕንቅሊተይ ዝኾነ'ዶ ከነልዕል? ቀሊል ወይ'ውን ምንም ዓይነት ምልክት ዘየርእዩን ዘይሓሙን ሰባት ብዙሓት ኮይኖም፡ ናብ ካልኦት ናይ ምትሕልላፍ ተኽእሎኦም ግን ዝለዓለ'ዩ። \"ኣብ ዘመንና ዝተራእየ ፍጹም ቫይረስ'ዩ፤ ኣብ ዘመነ ኮሮናቫይረስ ኢና ንነብር ዘለና\" ክትብል ድማ ትገልጾ። መልከፍቲ እዚ ቫይረስ ምቁጽጻር ኣብ ዝኸኣላ ሃገራት፡ መጠን ምትሕልላፍ ክንኪ ክኢሉ'ዩ። ኒውዝላንድ፡ መጀመርታ ውሑድ ቑጽሪ መልከፍቲ ኣብ ዝርኣየትሉ እዋን ስጉምቲ ዕጽዋ ወሲዳ፣ ዶባታ ዓጽያ፤ ሕጂ ዳርጋ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ የብላን። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ህይወት ናብ ንቡር ተመሊሱ እዩ። ድኻታት ሃገራት ጸግዒ ዝኾነን ሃገር ምርካበን'ውን ካልእ ዓብዪ ነገር እዩ። ሞንጎሊያ፡ ምስታ እዚ ለበዳ ኣቐዲሙ ዝተራእየላ ሃገር ቻይና ዘራኽባ ሰፊሕ ዶብ ኣሎ። ይኹን'ምበር፡ ክሳብ ወርሒ ሓምለ ዋላ ሓደ ጽኑዕ ሕክምና ዘድልዮ ሕሙም ኮሮናቫይረስ ኣየጋጠማን። ክሳብ ሎሚ መዓልቲ ድማ 293 ሰባት ጥራሕ'ዮም ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም፤ ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ዝሞተ ሰብ ግን የብላን። \"ሞንጎሊያ ብውሑድ ዓቕሚ ዝነኣድ ስራሕ'ያ ሰሪሓ። ኩሎም ብተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝተጠቕዑ ሰባት ብመጽናዕቲ ክፍለዩ ገይራ፣ ኣሰር ምትንኻፋት ነጺራ፣ ነዚኦም ድማ ክውሸቡ ብምግባር ክትዕወት ክኢላ\" ኢሉ ሙሁር ውልቃዊ ጽርየትን ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ፕሮፌሰር ዴቪድ ሄይማን። መንግስቲ እታ ሃገር፡ ቀልጢፉ ኣብያተ ትምህርቲ ዓጽዩ፣ ዓለምለኻዊ በረራታት ኣጊዱን ብዛዕባ ምሕጻብ ኢድን ምጥቃም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ሰፋሕቲ ስራሕቲ ሰሪሑን እዩ። ብኻልእ ወገን ይብል ፕሮፌሰር ሄይማን \"ሕጽረት ፖለቲካዊ መሪሕነት\" ብዙሓት ሃገራት ከዐንቅፈን እንከሎ፡ \"ሰብ መዚ ጥዕናን ፖለቲካዊ መራሕትን ብዛዕባ እዚ ሕማም ተናቢቦም ኣብ ምዝራብ ጸገም ነይሩዎም\" ኢሉ። ከምዚ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ኣዐርዩ ተዘርጊሑ። ንኣብነት፤ ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕን ላዕለዋይ ክኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዶክተር ኣንቶኒ ፋውቺን ፍጹም ዝረዳድኡ ኣይነበሩን። ኣብ እዋን እዚ ለበዳ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ገጽ ብሱሩ'ውን ዝተፈላለየ መጽሓፍ እዮም ነይሮም ምባል ይከኣል። ፕሬዝደንት ብራዚል ሄየር ቦልሶናሮ ኣንጻር ኣዋጃት ዕጽዋ ሰልፊ ተቓውሞ ኣካይዱ'ዩ እንተበልናኩም ትዝክሩ'ዶስ ትግረሙ? ካልእ ተሪፉ፡ እዚ ቫይረስ \"ንኡሽቶ ጉንፋዕ\" ኢሉ ኣይኮነን'ዶ ዘነኣአሶ? ግን ድማ፡ ኣብታ ሃገር ጥራሕ ንባዕሉ ሓዊሱ 2.8 ሚሊዮን ሰባት በዚ ቫይረስ ክሓሙ ከለው፡ ልዕሊ 100 ሽሕ ሞይቶም። ብዝሒ መልከፍቲ ንምቁጽጻር ንክልተ ወርሕን ልዕሊኡን ጽኑዕ ስጉምቲ ዕጽዋን ምግዳብ ምንቅስቓስ ሰባትን ዝወሰዳ ሃገራት ሕጂ'ውን ኣብ ዓቕሊ ጽበት'የን ዘለዋ። ኩሉ ነገር ናብ ዝነበሮ እንተመሊስናዮስ ክገደና'ዶ ይኸውን? ብዝብል ስግኣት ላንጋ ላንጋ ኮይነን ይሕቆና ኣለዋ። \"ምስ'ዚ ቫይረስ ከመይ ኢልና ኢና ክንነብር ዝብል ስለ ዘይሓሰባሉ፤ ካብ ዕጽዋ ወጺእካ ሓድሽ ህይወት ምጅማር የጸግመለን'ዩ ዘሎ\" ትብል ዶክተር ግሮፔሊ። ኣውስትራሊያ ሓንቲ ካብተን ካብ ዕጽዋ ንምግልጋል ዝቀላቐላ ዘለዋ'ያ፤ ግን ድማ ሕጂ ኣብ ግዝኣት ቪክቶሪያ ዘሎ ለበዳ \"ዘፍርሕ\" እዩ። ሜልቦርን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሓምለ ዳግም ናብ ዕጽዋ ተመሊሳ ተወሳኺ ጽኑዕ ሕግታት 'ኳ እንተተግበረት፡ መልከፍቲ ክውስኽ ትርኢ ኣላ። ኣብ ኤውሮጳ'ውን ብዙሓት ነገራት ክኽፈቱ ጀሚሮም፤ ስፔን፣ ፈረንሳን ግሪክን ግን ሰሙናዊ ዝለዓለ ቑጽሪ መልከፍቲ የመዝግባ ኣለዋ። ጀርመን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ንፈለማ እዋን መዓልታዊ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ብኮሮናቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ክትረክብ ጀሚራ። ኣፍሪካ፡ ኣንጻር እዚ ቫይረስ እትገብሮ ዘላ መኸተ ሕጂ'ውን ኣብ ሕቶ ምስኣተወ እዩ። ብዝሒ ኣብታ ኣህጉር ብኮቪድ-19 ዝሓመሙ ሰባት ልዕሊ ሓደ ሚልየን ኮይኑ ኣሎ። ደቡብ ኣፍሪቃ እታ ዝገደደት በዚ ቫይረስ ዝተጠቕዐት ሃገር እያ። ብኻልእ ወገን፡ ካብ ካልእ ክፋል ዓለም ብዝተፈለየ ዝተሓተ መጠን ሞት ኣብ ኣፍሪቃ እዩ ተመዝጊቡ። ንምንታይ ዝብል፥ ዝርግሐ እዚ ለበዳ ኣብ ምቁጽጻር ንቑሓት ዝኾና ሃገራት 'ውን ኣለዋ። ንኣብነት፡ ሩዋንዳ ናብ ሆስፒታላት መድሓኒትን ካልእ ቀረባትን ንምብጽጻሕ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ [ድሮናት] ትጥቀም ነይራ። እቶም ዝወሰደቶም ስጉምታትን ዘንበረቶም ዕቀባታትን ንህዝቢ መመሊሳ ኣብ ምቅላሕ'ውን ሰናፍ ኣይነበረትን። ይኹን'ምበር፡ ኣብ ህንዲ፣ ደቡብ ምብራቕ ኤሽያን ካልኦት ቦታታት እቲ ከባብን እቲ ቀሊል ዝበሃል መከላኸሊ መገዲ ኮሮናቫይረስ ዝኾነ ምሕጻብ ኢድ ንምትብባዕ ርእስኻ ዘድንን ሕጽረት ማይን ውልቃዊ ጽርየትን ሰፊሕ እዩ። \"ንኢዶም መሕጸቢ ዝኸውን ማይ ዘለዎምን ዘይብሎምን ሰባት ኣለው። ነዚ ብምርኣይ ዓለም ኣብ ክልተ ክንከፍላ ንኽእል ኢና። ኣብዚ ዘሎ ዓብዪ ሕቶ ድማ፡ ክታበት ከይተረኸበ ከመይ ኢልካ'ዩ እዚ ቫይረስ ምቁጽጻር ዝከኣል ዝብል እዩ\" ትብል ዶክተር ግሮፔል። እዚ ናይ ኩሉ ህዝቢ ዓለም ሕቶ'ዩ። ጽቡቕ፤ ነቶም ብጽኑዕ ዝሓመሙ ሰባት ዴክሳሜታሶን ክወስዱ ይግበር ኣሎ። ግን ድማ ንኹሎም በዚ ቫይረስ ዝልከፉን ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ዝሞቱን ዘለው ሰባት በዚ መድሓኒት ምሕካም ኣይከኣልን። ዓለም፡ ኩሉ ነገር ናብ ንቡር ዝመልስ ተኣምራዊ ሓይሊ ኣብ ምጽባይ ከም ዘላ ምግማት ዝኸብድ ኣይኮነን። ክታበት ካብቶም ተኣምራዊ ሓይልታት ሓደ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ሽዱሽተ ኣብ ቤተ ፈተነ ዝኣተው ክታበታት ኣለው። እዚ ንባዕሉ ኣካታዒ'ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ትካል ጥዕና ዓለም 'ክታበት ከይርከብ'ውን ይኽእል'ዩ' ብምባል ሰባት ልዑል ጥንቃቐ ክገብሩ ከም ዘለዎም ኣተሓሳሲቡ'ዩ። ዶክተር ማርጋሬት'ውን፡ \"ብዙሓት ሰባት ንክታበት ዘለዎም ርድኢት ዳርጋ ኣብ ሆሊውድ ዝተለመደ ኣፈጻጽማ'ዩ። ኣብ ውሽጢ ናይ ክልተ ሰዓት ፊልም ተመራመርቲ ተጓይዮም ወዲኦም ዘሐጉስ ፍጻመ ዘርእዩዎ ዝመስሎም ውሑዳት ኣይኮኑን። ተመራመርቲ ግን ንባዕሎም መርፍእ ወጊኦም ኩላትና ክንድሕን ኢና ዝብሉ 'ብራድ ፒት' ኣይኮኑን\" ኢላ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53719233"} {"headline":"ብረክዚት፡ እቲ ዘይተርፍ ፍትሕ ጥሪ 31 ክፍጸም’ዩ ግን ብኸመይ?","content":"ህዝቢ ብሪጣንያ ንኣባልነት ሕብረት ኤውሮጳ ዝወጽእ ገንዘብ ቅጥዒ የብሉን፤ ምስ ሕብረት-ኤውሮጳ ምህላውና ግዳይ ቀይዲ ኣልቦ ፍልሰትን ዋሕዚ ስደተኛታትን ኮይንና ብዝብል እዩ ብረክዚት መሪጹ። ህዝቢ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ሰነ 2016 ካብ ሕብረት-ኤውሮጳ ክወጽኡ ወይ ክጸንሑ ዝደልዩ እንተኾይኖም ብረፈረንደም ድምጾም ሂቦም፤ ዋላ እውን ብውሑድ ፍልልይ ይኹን እቶም ክንወጽእ ኢና ዝበሉ ስለዝበዝሑ ብሪጣንያ ካብ ኤውሮጳ ክትፋታሕ ግድን ኮይኑ። ይኹን እምበር እቲ መስርሕ ፍትሕ ብቐጻሊ ዘየሰማምዕ ዝርርብ እንዳተመጠ ዳርጋ ንሰለስተ ዓመት እኳ እንተጸንሐ፤ ጽባሕ ዓርቢ 31 ጥሪ 2020 ክዛዘም እዩ። ብረግዚት ከም ዝኾነ ይኹን ማሕበራዊ ፍትሕ ብዙሕ ሻቕሎትን ብደሆን ሒዙ እዩ መጺኡ። ጽባሕ ንግሆ ካልእ ዕድላት ክፈጥር ዝኽእል እንተኾይኑ እውን ዘመላኽት ነገር የሎን። ካብቲ ንዝተፈላለየ ውዕላት ንግድን ፋይናንስን ዝትንክፍ ረቛሒታት ግን ነቶም ኣብ ጽላል ሕብረት ተዓቚቦም ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ህይወቶም ክመርሑ ዝጸንሑ ዜጋታት እምብዛ ተንኪፉዎም ኣሎ። ኢጣልያዊ ዜግነት ሒዙ ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ክነብር ዝጸንሐ ያፌት ኣብርሃም \"ንሕና እኳ ኣጋጣሚ ልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ተቐሚጥና ኩሉ እቲ ሕጊ ኢሜግሬሺን ዓባይ ብሪጣንያ ዝሓቶ ነገራት ኣማሊእና ቀዋሚ መንበሪ ፈቓድ ሒዝና ስለዝጸናሕና ጸገም የብልናን። \"ግን ብዙሓት መጻኢኦም ዘሻቕሎም ሰባት ከምዘለው ግን ይፈልጥ እየ\" ክብል ብረክዚት ዋላ'ኳ ንዕኡን ንስድርኡን ብውልቂ እንተዘይተንከፎም ብዙሓት ዘይቀሰኑ ሰባት ምህላዎም ከምዝስመዖ ይሕብር። እቲ ቐንዲ ሻቕሎት ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ተፈልየት እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝነብሩ ዜጋታት እቲ ሕብረት እንታይ ክኾኑ እዮም ዝብል እዩ። ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት፡ ኣብ ኢንግሊዝ ንቡር ህይወቶም ክቕጽሉ ዝደልዩ ዜጋታት ኤውሮጳዊ ሕብረት ክሻቐሉ ከምዘይብሎም ክነግር ጸኒሑ እዩ። ይኹን እምበር እቲ ዛዕባ ንውልቀ ጉዳያት ፈላልዩ ዝርእይ ብምዃኑ ኣብ ውሽጡ ብዙሕ ዝርዝራት ክህሉዎ ይኽእል እዩ። በዚ ከኣ እዩ ብዙሕ ዝሻቐል ሰብ ዝህሉ። ቢቢሲ ቋንቋ እንግሊዝኛ ትማሊ ኣብ ዘሕተሞ ዓንቀጽ ንኣብነት፡ ን27 ዓመታት ኣብ ፈረንሳ ዝተቐመጠን ዝወለደን ማርክ ላውረንስ ዝተባህለ ጸራቢ ዕንጸይቲ፡ ኣብታ ሃገር ንነዊሕ ዓመታት ስለዝተቐመጠ ብሕጊ ናይታ ዓዲ ፈረንሳዊ ዜግነት ክወሃቦ ሓቲቱስ \"ኣብ ፈረንሳ ከንብሮ ዝኽእል እኹል ቁጠባዊ ትሕዝቶ የብሉን\" ተባሂሉ ከምዝተነጽገ ተጻሒፉ ኣሎ። ይኹን እምበር ዜግነት እኳ እንተተኸልአ ጽባሕ ዓርቢ 31 ጥሪ 2020 ልክዕ ሰዓት 23፡00 ጉዳይ ብረክዚት ዓባይ ብሪጣንያ ክሳብ ዝፍጸም፡ ማርክ ኣብ ፈረንሳ ነባርነቱ ክቕጽል ክመዝኽእል ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ሓቢሩ። ነብሲ ወከፍ ሃገር ንውሽጣዊ ጉዳያታ ብዝምልከት ነናይ ገዛእ ርእሳ ሕግን መምርሕን ክህልዋ ግድን እዩ። ይኹን እምበር ሕቶ ዜግነትን ሻቕሎት መንበርን ምስ ጉዳይ ብረክዚት ዝመጽአ ምዃኑ ንመስርሕ ብረግዚት ብቐረባ ዝከታተሉዎ ዘለው ምሁራት ይገልጹ። ድሕሪ ብረክዚት'ከ እንታይ ክቕየር እዩ? መሰል ዜጋታት ኣብ ሕድሕድ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረትን ዓባይ ብሪጣንያ ከምቲ ዝጸንሖ ክቕጽል እዩ። ክሳብ ናይ ምዝዛም ፍትሕ ዓባይ ብሪጣንያን ሕብረት ኤውሮጳን ከኣ ዜጋታት ሓድሕደን ከም ቀደሞም ብናጽነት ክንቀሳቐሱ እዮም። እቲ ሕቶ ድሕሪ ታሕሳስ 31 እንታይ ክኸውን እዩ ዝብል ግን ጸኒሑ ከምዝረአ መግለጺ ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ይሕብር። ይኹን እምበር እዚ ጉዳይ እዚ ከኣ ንኹሎም እቶም ከካብ ሃገሮም ብስራሕን ብንግድን ኣብ ከተማታት እቲ ሕብረት ክነብሩ ዝጸንሑ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት የሻቕሎም ኣሎ። ብጀርመናዊ ዜግነት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንልዕሊ 15 ዓመታት ዝነብር ዘሎ ብበረኸት ክጽዋዕ ዝመረጸ ኤርትራዊ ብወገኑ \"ኣብዛ ሃገር ሰሪሐን ከቢረን እየ - ብረክዚት ግን ከም ዝኾነ ፍትሕ ስድራ ቤት ሻቕሎት ክፈጥር ባህሪያዊ እዩ\" ይብል፡ ንጀርመን ክምለስ ጸገም ከምዘይብሉን ግን ከኣ እቲ ዝኸውን ክሳብ ዝኸውን ቀሲኑ ንኸይነብር ስክፍታ ከምዘለዎ ብምሕባር። ጉዳይ ብረክዚት ሓባራዊ ስምምዕ ዘይተበጺሑ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝነብሩ ዜጋታት እቲ ሕብረት ኣብ መወዳእታ ዓመተ 2020 ወይ ኣብ ሰነ 2021 ንቐዋሚ ነባርነት ከመልክቱ ከምዝኽእሉ ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ሓቢሩ ኣሎ። ይኹን እምበር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንዓሰርተታት ዓመታት ክነብሩ ዝጸንሑ ብዙሓት ዜጋታት እቲ ሕብረት ቀዋሚ መንበሪ ንኸወሃቡ ዘመልከቱዎ ሕቶ ተነጺጉ እዩ። ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 2.7 ሚልዮን ዜጋታት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ፈቓድ ቀዋሚ መንበሪ ኣመልኪቶም ኣለው። ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር እታ ሃገር ከኣ፡ ኣብቲ ዝተዋህበ ናይ ግዜ ገደብ ዘየመልከተ ዝኾነ ይኹን ሰብ ናብ ሃገሩ ከምዝጥረዝ ሓቢሩ ኣሎ። ይኹን እምበር መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ንነብሲ ወከፍ ጉዳያት፡ ዓመታዊ £25,600 ወይ €30,000 ወይ ከኣ $33,000 ንዝእቶቱ ሰብ፡ በብውልቂ ክርእዮ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ። እቲ ቅድሚ ዓመት ፈረንሳዊ ዜግነት ንምውሳድ ክማላእ ዝግባእ ቅጥዕታት ኣማሊኡ ናይ ቋንቋን ባህላዊ ፍልጠት ፈተና ሓሊፉ፡ ዝኽፈል ከፊሉ፡ ሕቶ ዜግነት ኣቕሪቡ ዝተነጽገ ብሪጣንያዊ ማርክ \"ዜግነት ክረክብ ክጽገም ይኽእል እየ ዝብል እምነት ኣይነበረንን\" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ግን ከምዝሓሰቦ ኣይሰለጦን - ይግባይ ኢሉ እውን ኣይቀንዖን። ብኡ እዩ እምበኣር ሕጂ፡ ጉዳይ ማርክ ዳግመ ግምት ይገበረሉ ዝብል ናይ ህዝቢ ደገፍ ድምጺ ዝተኣኸኸብ ዘሎ። ጽባሕ ድሕሪ ውሳነ ዓርቢ ጥሪ 31፡ 2020ከ እንታይ ከመጽእ ይኽእል ጸኒሑ ክረአ እዩ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/51321886"} {"headline":"ኮቪድ-19 መጠን ልቀት ካርበንዳይ ኦክሳይድ ንክንኪ ምኽንያት ኮይኑ፡ ተመራመርቲ","content":"ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ዝተወስዱ ስጉምታት፡ ኣብዚ ዓመት ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ልቀት ካርቦንዳይኦክሳይድ ብዝለዓለ መጠን ክንኪ ከም ዝገበሩ ተመራመርቲ ገሊጾም። መጽናዕቲ እዞም ተመራመርቲ፡ እቲ ልቀት ካርበን ብ7 ሚኢታዊት ከም ዝጎደለ የመላኽት። ኣብ ፈረንሳን ብርጣንያን ብዝለዓለ መጠን ክጎድል እንከሎ፡ ናይዚ ምኽንያት ደግሲ ለበዳ ኮቪድ-19 ንምቁጽጻር ዝተወስዱ ስጉምታት ዕጽዋ ከም ዝኾኑ ተጠቒሱ ኣሎ። ብኣንጻሩ፡ ኣብ ቻይና እቲ ልቀት ካርበን ክውስኽ ይኽእል’ዩ ኢሎም ኣለው። ከም ጸብጻብ ጉጅለ ካርቦን ዓለም እንተኾይኑ፡ ኣብዚ ዓመት 2.4 ቢልየን ቶን ልቀት ካርበን እዩ ነክዩ። እዚ፡ ዓለማዊ ቑጠባዊ ዝሕታለ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ዝነበረ ምጉዳል ልቀት ካርበን ፍርቂ ቢሊየን ኮይኑ፡ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ከኣ ሓደ ቢሊየን ቶን ጎዲሉ ነይሩ። ኣብ ኣመሪካ፡ ልቀት ካርበን ብኣስታት 12 ሚኢታዊት እንትጎድል፣ ፈረንሳ 15 ሚኢታዊት፣ ዓዲ ኢንግሊዝ 13 ሚኢታዊት ከም ዝጎደለ ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ኢስት ኢግል ኮሪኔ ሊ ኩሬ ሓቢራ። “እቲ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ፡ መብዛሕትኡ ልቀት ካርበን እዘን ሃገራት ካብ ዓውዲ መጓዓዝያ ስለ ዝምንጪ’ዩ፤ እቲ ካብ ኢንዳስትርን ካልእን ዝወጽእ ብተዛማዲ ትሑት እዩ። ንኣብነት ኣብ ፈረንሳ፡ መብዛሕትኡ ኤሌክትሪክ ካብ ሓይሊ ኒኩሌር ዝርከብ ምዃኑ ምውሳድ ይከኣል። ስለዚ ኣስታት 40 ሚኢታዊት ልቀት ካርበን እዛ ሃገር ካብ ዓውዲ መጓዓዝያ’ዩ” ኢላ። ዓውዲ ኣቪየሽን፡ ኣብዚ ዓመት ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣዝዩ ዝተሃሰየ ኮይኑ፡ ክሳብ መወዳእታ እዚ ዓመት ልቀት ካርበን እዚ ዓውዲ 40 ሚኢታዊት ጥራሕ ከም ዝኸውን ይግመት። ኣብ 2021፡ ልቀት ካርበን ክውስኽ ይኽእል’ዩ ዝብሉ እዞም ተመራመርቲ፡ ነዚ ንምክልኻል ብእግሪ ናይ ምንቅስቓስን ብሽክሌታ ናይ ምጥቃምን ዝንባለታት ክዓብዩ ከምኡ’ውን ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ቀልጢፈን ኣብ ረብሓ ክውዕላ ክግበር ይምዕዱ። እዚ ኣብ መጽሄት አርዝ ሲስተም ሳይንስ ዳታ ዝተሓተመ መጽናዕቲ፡ ዋላ’ውን ምንካይ ልቀት ካርበን እንተተራእየ ሕጂ’ውን 39 ቢሊየን ቶን ዝኸውን ዝተኣከበ ካርበንዳይ ኦክሳይ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ቀጻሊ መጠን እቲ ልቀት ንክውስኽ ስግኣት ከም ዝኸውን ጠቒሱ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55270525"} {"headline":"ግሪኽ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ካብ ዘጋጠመ ባርዕ ይሃድሙ","content":"ብብዝሒ ስደተኛታት ተጨናኒቑ ዝጸንሐ ኣብ ግሪኽ ዝዓበየ መዓስከር ስደተኛታት ሞርያ ብባርዕ ሓዊ ዓንዩ። ኣብቲ መዓስከር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፈ ስደተኛ ድሕሪ ምርካቡ፡ ክልከላታት ምንቅስቓስ ተኣዊጁ ጸኒሑ። ዛጊት መበገሲ እቲ ባርእ ኣይተነጸረን።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54106098"} {"headline":"ዋና ኣኽባር ሕጊ ቤላሩስ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ተቓወምቲ ክሲ መስሪቱ","content":"ዋና ኣኽባር ሕጊ ቤላሩስ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ተቓወምቲ 'ስልጣን ክሕዙ ፈቲኖም' ዝብል ክሲ መስሪቱ። እቲ ብዋና ኣኽባር ሕጊ ኣሌክሳንደር ኮንዩክ ዝቐረበ ክሲ፡ \"ምስረታን ምንቅስቓሳትን ቤትምኽሪ ልፍንቲ ስልጣን ንምሓዝን ንሃገራዊ ድሕነት ኣብ ሓደጋ ንምእታውን ዝዓለመ እዩ\" ይብል። ኣቐዲሙ ፕረዚደንት ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ፡ ነቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ሚንስክ ኣንጻሩ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት ፖሊስ ደው ከብሎ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ እዩ። እታ ሃገር ብ9 ነሓሰ ምርጫ ኣካዪዳ፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር ከም ዝተዓወተ እኳ እንተተገለጸ፡ ተቓወምቲ ምጥፍፋእ ድምጺ ከም ዝነበረ ብምግላጽ ነቲ ውጽኢት ኣይተቐበልዎን። ኣብዚ እዋን ኣብ ጎረቤት ሃገር ሊትዌንያ እትርከብ መራሒት ተቓውሞ ስቬትላና ቲካኖቭስካያ፡ ምስግጋር ስልጣን ምእንቲ ክረጋገጽ፡ ቤትምኽሪ ልፍንቲ ከም ዝተመስረተን፡ ናይ ወጻኢ ሃገራት መንግስታት \"ምስ ሰበስልጣን ቤላሩስ ከንዝትይ ክተሓባበሩና ንሓትት\" ኢላ። ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ቤት ምኽሪ ተመስሪቱ ዘሎ ክሲ ብቪድዮ ዘንበበ ዋና ኣኽባር ሕጊ፡ ኮንዩክ \"ከምዚ ዝኣመሰለ ኣካል ምፍጣር ብሕጊ ኣይፍቀድን\" ብምባል ዘይሕገመንግስታዊ ምዃኑ ተዛሪቡ። ወሲኹ'ውን \"ብዙሓት ዜጋታት፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ምንቅስቓስ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ተረዲኦም፡ ካብቲ ቤትምኽሪ የንሳሕቡ ኣለው\" ኢሉ። ውጽኢት እቲ ምርጫ ድሕሪ ምግላጹ፡ ሰልፈኛታት ን10 መዓልትታት ኣብ ጎደናታት ብምውጻእ ተቓውሞታቶም የስምዑ ኣለው። እቲ ውጽኢት ብሓያላት ሃገራት'ውን ተቐባልነት ኣይረኸበን፤ መራሕቲ ኣውሮጳዊ ሕብረት ብሰሉስ ኣብ ልዕሊ ሉካሼንኮ እገዳ ንምግባር ተሰማሚዖም ኣለው። እቲ ቤትምኽሪ ብረቡዕ ዝተራኸበ ኮይኑ፡ ሰብመዚ ቤላሩስ ነቲ ቤት ምኽሪ ድሕሪ ምኽሳሶም ብርክት ዝበሉ ኣባላት እቲ ቤትምኽሪ የንሳሕቡ ከም ዘለው ኣባል እቲ ቤትምኽሪ ዝኾነ ማክዚም ዝናክ ተዛሪቡ። ነቲ ፕረዚደንት ብምንቃፍ እትፍለጥ ተሸላሚት ኖቤል ዝኾነት ጸሓፊት ስቬትላና ኣሌክዘቪች ግና ኣብቲ ቤትምኽሪ ከም ዘላ ሚስተር ዝናክ ሓቢሩ። ቲካኖቭስካያ ብቪድዮ ንመራሕቲ ኣውሮጳዊ ሕብረት ብቪድዮ ኣብ ዘመሓለለፈቶ መልእኽቲ፡ እቲ ቤትምኽሪ \"ብምይይጥ ሰላማዊ ምስግጋር ናይ ስልጣን\" ከም ዝመርሕን ካልእ ኣህጉዊ ማሕበረሰብ ዝከታተሎ ደሞክራስያዊ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከም ዘካይድን ተዛሪባ። ፕረዚደንት ሉካሼንኮ ግና ብረቡዕ ንቀዳማይ ሚኒስተር ሮማን ጎሎቭቸንኮ ኣብ መዝነቱ ዘቐጽል ካቢነ መስሪቱ ከም ዘሎ ማእከን ዜና ቱት ጸብጺቡ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53854934"} {"headline":"ትራምፕ፡ ኣንጻሩ ንዝመስከሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰጒጉ","content":"ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ቀሪቡሉ ኣብ ዝነበረ ክሲ ኣንጻሩ ንዝመስከሩ ክልተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ካብ ስረሖም ኣባሪሩ። ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣምባሳደር ጎርደን ሶንድላንድ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ካብ ስልጣኑ ክኣልዮ ከምዝደለየ ከምዝተነገሮ ገሊጹ። ኣብ ጉዳይ ዩክሬን ላዕለዋይ ኣማኻሪ ሌቴናንት ኮሎኔል ኣሌክሳንደር ቪንድማን፡ ቅድሚ ሰዓታት ካብ ዋይት ሃውስ ተሰናቢቱ ኣሎ። ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ሰኔት ኣመሪካ ካብ ዝቐረበሉ ክሲ [ኢምፕችመንት] ነጻ ምስ በሎ፡ ኣብ ኣባላት ቤት ጽሕፈቱ ምቅይያር ክገብር ከምዝደሊ ገሊጹ ነይሩ። ላዕለዋይ ጠበቓ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ጸጥታ ዝነበረ ፍላይ ማንታ ሌተናንት ኮሎኔል ኣሌክሳንደር ቪንድማን፡ የቭገንስ ቪንድማን፡ 'ውን ናብ ወታሃደራዊ ክፍሊ ክምለስ ተገይሩ ኣሎ። ንምብራር ኮሎኔል ኣለክሳንደር ዝተቓወመ ኣማኻሪኡ፡ \" ቪንድማን ሓቂ ስለዝተዛረበ ውጻእ ተባሂሉ፤ ክብሩ፣ ንሓቂ ዘለዎ ውፉይነት ነቲ ሓያል እየ ዝብል ኣፍሪሕዎ\" ክብል ተዛሪቡ። ብተወሳኺ \" ኮሎኔል ቪንድማን፡ ሓቂ ምዝራቡ ስርሑን ሞይኡን ኣስኢንዎ\" ብምባል ፕረዚደንት ትራምፕ ዝወሰዶ ስጉምቲ ቅሉዕ ሕነ ምፍዳይ ምዃኑ ገሊጹ። እቲ ፕረዚደንት በቲ ኮሎኔል ሕጉስ ከምዘይኮነ ዝሓለፈ ዓርቢ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ ነይሩ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51424893"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ትራምፕ ካብ ኤውሮጳ ናብ ኣሜሪካ ዝግበር ጉዕዞ ደው ኣቢሉ","content":"ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ዝርግሐ ስግኣት ዓለም ኮይኑ ዘሎ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል፡ ካብ ኤውሮጳ ዝገበሩ ሓደሽቲ ጉዕዞታት ደው ክብሉ ወሲኑ። ንሱ ብቴሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳ ናብ ኣሜሪካ ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ጉዕዞ ንዝቕጽሉ 30 መዓልታት ደው ክብል'ዩ ኢሉ። እዚ \"ጽኑዕ ግን ድማ ኣገዳሲ\" እገዳ ግን ንዓዲ ኢንግሊዝ ዝሓውስ ኣይኮነን ኢሉ። ክሳብ ሕጂ ኣብታ ሃገር 460 ሰባት በዚ ቫይረስ ተጠቒዖም። ኣብ ኣሜሪካ 1,135 ሰባት በዚ ቫይረስ እንትልከፉ፡ 38 ሰባት ሞይቶም። \"ናብ ከባቢና ሓድሽ ረኽሲ ከይኣቱ ንምክልኻል፡ ኩሎም ናይ ኤውሮጳ ጉዕዞታት ደው ከነብሎም ኢና\" ዝበለ ትራምፕ፡ \"እዚ ካብ ዓርቢ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ግብራዊ ዝኸውን እዩ\" ኢሉ። እዚ እገዳ ግን፡ ንዜጋታት ኣሜሪካ ዝሓውስ ኣይኮነን። ፕሬዝደንት ትራምፕ፡ ሕብረት ኤውሮጳ \"ተመሳሳሊ ቅድመ ጥንቃቐ ክወስድ ኣይክኣለን\" ብምባል ነቒፉ። እዚ እገዳ ጉዕዞ፡ ኣብ ውሽጢ 14 መዓልታት፤ ቅድሚ ናብ ኣሜሪካ ምእታው ኣብ ሃገራት እቲ ሕብረት ዝነበረ ናጻ ቪዛ ሸንገን ዝነበሮ ሰብ ዘጠቓለለ ምዃኑ ይግለጽ። እዚ ማለት፡ ኣባል 26 ሃገራት ሸንገን ዘይኮነት ኣየርላንድ ኣብቲ ምኽልካል ጉዕዞ ኣይትኻተተትን። ቡልጋርያ፣ ክሮሽያን ሮማንያን'ውን ኣካል ሸንገን ከይኮና ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ስለ ዝኾና፡ በዚ ኣሜሪካ ወሲዳቶ ዘላ ምኽልኻል ጉዕዞ ቐጸልቲ 30 መዓልታት ኣይክግደባን። ትማሊ ሮብዕ፡ ትካል ጥዕና ዓለም እዚ ቫይረስ ዓለማዊ ለበዳ ምዃኑ ብወግዒ ኣዊጁ። እዚ፡ ብፍጥነት ኣብ መላእ ዓለም ዝላባዕ ዘሎ ምዃኑ ዝገለጸ ጀነራል ዳይሬክተር እቲ ትካል፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ቕነ ጥራሕ ካብ ቻይና ወጻኢ ብ13 ዕጽፊ ወሲኹ'ዩ ኢሉ። ቀዳማይ ሚኒስትር ጥልያን ጁሴፐ ኮንተ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብዝለዓለ ብራኸ እናወሰኸ ምምጽኡን ናብ ዘስግእ ደረጃ ከም ዝበጽሐን ተዛሪቡ። ኣብ ሞንጎ ተገልገልቲ ክህሉ ንዝግብኦ ርሕቐት ውሕስና ክህቡ ዘይኽእሉ መብዛሕትኦም ድኳናት፣ ባራት፣ እንዳ ጸጉሪ፣ ቤት መግብን ካፌታትን፡ ክሳብ 25 መጋቢት ክዕጸው ምዃኖም'ውን ገሊጹ። ጥልያን፡ ልዕሊ 12 ሽሕ ሰባት በዚ ቫይረስ ከም ዝተጠቕዑ ዘረጋገጸት ኮይና፤ 827 ሰባት ሞይቶም። ኣብዛ ሃገር፡ 900 ዝጽግዑ ሰባት ድማ ኣብ ጽኑዕ ሕክምና ከም ዝርከቡ ትካል ጠዕና ዓለም ኣፍሊጡ። ኣብ ዴንማርክ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ብ10 ዕጽፊ ዝወሰኸ ኮይኑ፡ 514 ሰባት ተጠቒዖም። ካብ ጽባሕ ዓርቢ ጀሚሩ ድማ ኣብያተ ትምህርትን ዩኒቨርሲቲታትን ክትዓጹ እያ። ልዕሊ 100 ሰባት ዝሳተፉሎም ኣኼባታት ኩሎም ክስረዙ'ውን መንግስቲ እታ ሃገር ኣዚዙ። ህንዲ ብወገና፡ ክሳብ 15 ሚያዚያ ንወጻእተኛታት ቪዛ ኣይክትህብን። ጓቲማና'ውን ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ፡ ዜጋታት ኤውሮጳ ናብ ሃገራ ኸይኣትው ኸልኪላ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51847961"} {"headline":"ኲናት ሶርያ፡ ኤርዶሃን ቱርኪ ሓደሽቲ ስደተኛታት ከተዕቁብ ኣይትኽእልን'ያ ኢሉ","content":"ፕሬዝደንት ቱርኪ ረሲጵ ጣይብ ኤርዶሃን፡ ሃገሩ ካብ ሶርያ ዝመጽእ \"ሓድሽ ዋሕዚ ስደተኛ\" ከተአንግድ ከም ዘይትኽእል ኣጠንቂቑ። ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሶርያ ዞባ ኢድሊብ ብዝተኸፈተ ሓድሽ መጥቃዕቲ ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ዶብ ቱርኪ ይውሕዙ ኣለው። ክሳብ ሕጂ ቱርኪ 3.7 ሚሊዮን ሶርያውያን ስደተኛታት ዘዕቖበት ኮይና፡ እዚ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ዕቑባ ስደተኛታት እዩ። እዚ ዳግም ተኸሲቱ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ግን \"ንኩለን ሃገራት ኤውሮጳ ይሰማዓየን\" ኢሉ። ሰለስተ ሚሊዮን ዝጽግዑ ሰባት ኣብ ዞባ ኢድሊብ ይነብሩ። እዚ ኸባቢ ክሳብ ሕጂ ብዓመጽትን ጅሃዳውያን ተቓወምቲ ፕሬዝደንት በሽር ኣልዓሳድን ተታሒዙ ይርከብ። በዚ ምኽንያት፡ ሓይልታት ሶርያን ሩሲያን ኣብ ልዕሊ እቶም ተቓወምቲ ሓይልታት ብዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 80 ሽሕ ሰባት ናብ ጥቓ ዶብ ቱርኪ ከም ዝተጸግዑ እቲ ፕሬዝደንት ተዛሪቡ። \"ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢድሊብ ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ጠጠው እንተዘይኢሉ፡ እዚ ቑጽሪ ክውስኽ ይኽእል'ዩ። ቱርኪ ግን ጾር እዞም ኩሎም ስደተኛታት ኣይትስከምን\"። \"እዚ ጉዳይ ኣብ ልዕሌና ዘሕድሮ ዘሎ ኣሉታዊ ጸቕጢ ኹለን ሃገራት ኤውሮጳ ዝስምዐን ክኸውን'ዩ፤ ብፍላይ ድማ ግሪክ\" ኢሉ። ሎሚ መዓልቲ ኣብዚ ጉዳይ ዝዝቲ ልኡኽ ቱርኪ ናብ ሩሲያ ከም ዝኸይድ ኤርዶሃን ገሊጹ ነይሩ። ፕሬዝደንት ቱርኪ፡ ኣብ 2015 ብዘጋጠመ ቅልውላው ስደተኛታት ተመሳሳሊ መልእኽቲ ኣሕሊፉ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ኣትዮም ነይሮም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ሞንጎ ሩሲያን ቱርክን ብዝተገበረ ምርድዳእ፡ ተኩሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ተበጺሑ ነይሩ፤ እንተኾነ ተኩስን ደብዳብን መዓልታዊ ክስተታት እቲ ከባቢ ከም ዝኾኑ'ዩ ዝንገር። ቱርኪ እንታይ ትደሊ? ሶርያውያን ስደተኛታት ናብቲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሶርያ ዝርከብ ካብ ዕጡቓት ኩርድ ሓራ ዝወጽአ \"ውሑስ ዞባ\" ኢላ እትጽውዖ ከባቢ ክኸዱ ትደሊ። ፕሬዝደንት ኤርዶሃን ድማ፡ ንዕውትነት እዚ ትልሚ ሓገዝ ሓቲቱ'ዩ፤ እንተዘይኮይኑ ግን ሶርያውያን ናብ ኤውሮጳ ክኣትው \"ኩሎም በሪታት ክኸፍቶም'የ\" ኢሉ። ቱርኪ ኣብ ሰሜን ሶርያ እትፍጽሞ ዝነበረት መጥቃዕቲ ዓለምለኻዊ ነቐፌታ ዘስዓበላ ኮይኑ፡ ኣብቲ ናጻ ዞባ ዝሓዘቶ ትልሚ'ውን ብገለ መላፍንቲ ደገፍ ረኺቡ'ዩ። ፕሬዝደንት ኤርዶሃን ግን፡ \"ቱርኪ ኣብ ሶርያ ንእትወስዶም ሕጋዊ ስጉምታት ኣብ ኩርናዕ ካብ ምእታው፡ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ኢድሊብ ዝፍጸም ዘሎ ጨፍጫፍ ጠጠው ከብላ ሓይለን ክጥቀማ ኣለወን\" ኢሉ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50889256"} {"headline":"ጎንጺ ሊብያ፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ብፍቓዱ ካብ ሓላፍነት ወሪዱ","content":"ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ፡ ኣብታ ሃገር ሰላም ንምውራድ ዝገብሮ ጻዕሪ ጥዕንኡ ይጎድኦ ብምህላዉ ካብ መዝነቱ ብድልየቱ ከምዝወረደ ኣፍሊጡ። ጋሳን ሳሌም፡ \"ነብሰይ ነቲ ዘሎ መጠን ጭንቀት ክጻወሮ ኣይክእልን\" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። ኣብ መንጎ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ሊብያን፡ ተቓወምቲ ሓይሊታት ጀነራል ከሊፋ ሃፍታርን ብተደጋጋሚ ዝተኻየደ ዝርርብ ሰላም ክሰምር ኣይከኣለን። ኣብ 2011 ብኪዳን ሓይልታት ኣትላንቲክ ዝተደገፈ ህዝባዊ ተቓውሞ ንስርዓት ሙዓመር ጋዳፊ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምዕላዉ፡ ሊብያ ድልዱል መንግስቲ ክትምስርት ኣይከኣለትን ዘላ። እቲ ፍሉይ ልኡኽ ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይሊታት ክዘራረቡ ናብ ጀኔቫ ዓዲምዎም ነይሩ፡ እንተኾነ፡ እቶም ወከልቲ ንባዕሎም ካብቲ ዝርርብ ብምውጽኦም እቲ ልዝብ ከይሰመረ ተሪፉ እዩ። \"ሊብያውያን ንምውህሃድ፣ ምትእትታው ወጻኢ ከብቅዕን፤ ሓድነት እታ ሃገር ንምሕላውን ንክልተ ዓመትን ፈረቓን ጽዒረ እየ\" ዝበለ ጋሳን ሳሌም፡ እዚ ዘሎ ኩነታት ግን ጥዕንዑ ነቲ ዘሎ ጭንቀት ክጻወር ስለዘይክእል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ሓላፍነቱ ከልዕሎ ከምዝሓተተ ገሊጹ። ልኡኽ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያን እቲ ኣብ ጀኔቫ ዝርከብ ቤት ጽሕፈትን ግን ንሕቶ እቲ ፍሉይ ልኡኽ መልሲ ኣይሃቦን ዘሎ። ኩነታት እታ ሃገር ብምኽንያት ምትእትታው ናይ ወጻኢ ሓይሊታት እናተሓላለኸ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ቀረባ እዋናት፡ ቱርኪ ንመንግስቲ ሊብያ ንምሕጋዝ ወታሃደራታ ናብታ ሃገር ልኢኻ ኣላ። ሓይሊታት ጀነራል ከሊፋ ሃፍታር ንዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ ንዋና ከተማ እታ ሃገር ትሪፖሊ ከቢቦምዋ ዝርከቡ ኮይኖም፡ በቲ ጎንጺ ብኣማኢት ዝቕጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉን ብኣሻሓት ከምዝተሰደዱን ጽብጻባት ሕቡራት ይገልጽ። ዝበዝሓ ክፋል ምብራቓዊ ሊብያ ተቖጻጺሮም ዘለዉ ብከሊፋ ሃፍታር ዝምርሑ ሓይሊታት፡ ብሃገራት ግብጺ፣ ሩስያ፣ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝድገፉ እዮም። ሃገራት ቱርክን ቐጠርን ድማ ነቲ መንግስቲ ይድግፋ። እቲ ኩነታት፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ፡ \"ተቐባልነት ዘይብሉ ናይ ውክልና ኲናት\" ክብል ዝገለጾ ኮይኑ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ድማ ናብ ሊብያ ኣጽዋር ከይኣቱ ሓዲሽ ልኡኽ ሓይሊ ባሕርን ኣየርን ክጅምሩ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ተሰማሚዖም እዮም።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51716835"} {"headline":"ሕብረት ኤውሮጳ፡ እገዳ መሸጣ ብረት ሊብያ ጥሒሰን ኣብ ዝበለን እገዳ ኣንቢሩ","content":"ኣውሮጳዊ ሕብረት ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሊብያ ዝተነበረ እገዳ መሸጣን ዕድግን ወተሃገራዊ ብረት ጥሒሰን ኣብ ልዕሊ ዝበለን ሰለስተ ትካላት እገዳ ኣንቢሩ። ኣብ ብራስለስ ዝተኣከቡ ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት እቲ እገዳ ናይተን ትካላት ናይ ባንኪ ሒሳብ ክድስክል ዝብል ከም ዝርከቦ’ውን ተገሊጹ። ክልተ ውልቀ ሰባት’ውን ኣብ ሊብያ ግህስት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሞም ብምባል ኣብቲ ዝርዝር እገዳ ሰፊሮም ኣለዉ። እቲ ብሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝወጽአ መግለጺ፡ \"እዚ ሓጅሽ ዝርዝር ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ነቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ፖሎቲካዊ ኩነታትን ብምክትታል ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረን ሕጂ ዘሎን ገበናትን ግህሰትን ደው ንከብል ተባሂሉ ዝተገበረ’ዩ\" ይብል። እተን ኣውሮጳዊ ሕብረት እገዳ ኣንቢሩለን ዘሎ ትካላት ካብ ቱርኪ፣ ካዛኪስታንን ዮርዳኖስን ከም ዝኾና ኤኤፍፒ ሓቢሩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሃገራት ሩስያ ቱርክን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ነቲ ኣብ ልዕሊ ሊብያ ዝተነበረ ናይ ኣጽዋር እገዳ ይጥሕሰኦ ኣለዋ ኢሉ ምኽሳሱ ዝዝከር እዩ። ብኔቶ ዝድገፉ ሓይልታት ነቲ ንሊብያ ንነዊሕ ዓመታት ዝመርሓ ኮነሬል ሙዓመር ገዳፊ ኣብ 2011 ካብ ስልጣን ምስ ኣለይዎ እታ ሃገር ኣብ ሰብኣዊ ቅልውላውን ኵናት ሓድሕድን እያ ተሸሚማ ዘላ። ነቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ቅልውላው ናይ ደገ ሓይልታት ስለ ዝተወሰኸኦ ድማ እቲ ኩነታት እናሓደረ ክሽሕክር እዩ ዝርአ ዘሎ። ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነቲ ብጀነራል ካሊፋ ሓፍታር ዝምራሕ ሰራዊት ክትድግፍ እንከላ ቱርኪ ብወገና ነቲ ኣብ ትሩቡሊ ዓሩዱ ዘሎ መንግስቲ ሊብያ እያ ትድግፍ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54246074"} {"headline":"“መገዛእ ሰብነትና መንግስቲ እንታይ ገደሶ” ደቂ ኣንስትዮ ፖላንድ","content":"ደቂ ኣንስትዮ ፖላንድ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ካብ ዝተዓመጸትን ካብ ናይ ቀረባ ስድርኣ ዝጠነሰትን ሓዊሱ ጥዕናዊ ኩነታት እታ ኣደ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ጥራይ እንተኾይኑ ጥንሲ ምንጻል ይከኣል ካብኡ ሓሊፉ ግን ፍጹም ክልኩል እዩ ስለዝበለ ኣብ ኣደባባይ ንተቓውሞ ወጺኤን ኣለዋ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54730902"} {"headline":"መሰጋገሪ መንግስቲ ሊብያ ካብ ዝርርብ ምቁራጽ ቶኽሲ ወጺኡ","content":"ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተቐባልነት ዘለዎ መሰጋገሪ መንግስቲ ሊብያ፡ እቶም ብጀነራል ካሊፋ ሓፍጣር ዝምርሑ ሓይልታት ንወደብ ትሪፖሊ ክድብድቡ ምስጀመሩ ካብቲ ኣብ ጀነቫ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ሰላም ከምዝሰሓቡ ገሊጾም። እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ነቲ ዝተወስደ መጥቃዕቲ ተሪር ግብረ መልሲ ከምዝህቦ ገሊጹ። እቲ መጥቃዕቲ ነቲ ኣብ ወደብ ዝርከብ ነዳዲ ዒላማ ዝገበረ ከምዝነበረን፡ ኩባንያ ነዳዲ ሊብያ ድማ ነቲ ነዳዲ ናብ ካልእ ከባቢ የግዕዞ ከምዘሎን ኣፍሊጡ። ካልእ ናይ ኣጽዋር መኽዘን'ውን ብሓይልታት ጀነራል ካሊፋ ሓፍጣር ከምዝተሃርመ ተገሊጹ። ካብ ሚያዝያ 2019 ጀሚሩ፡ ሓይልታት ጀነራል ካሊፋ ሓፍጣር ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተቐባልነት ዘለዎ መሰጋገሪ መንግስቲ ሊብያ ካብ ስልጣን ክኣልዩ እዮም ዝቃለሱ ዘለዉ። ክልቲኦም ወገናት ኣብ ጀነቫ ውግእ ጠጠው ዘብል ዝርርብ ወላ እንተካየዱ፤ ክሳብ ሕጂ ግን ዝተበጽሐ ስምምዕ የለን። እታ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ሰሜን ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ መራሒኣ ዝነበረ ኮሎኔል ሙዓመር ገዳፊ ኣብ 2011 ብሓይልታት ኔቶ ካብ ስልጣኑ ካብ ዝእለ ንድሓር፡ ኣብ ዘይትወጾ ዕግርግርን ምፍሳስ ደምን ተሸሚማ ትርከብ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51555981"} {"headline":"\"ካብ ሓይሊ ባሕሪ መታን ክሰናበት ነፋሪት ሰሪቐ\"","content":"ኤማ ጀን ከርቢ፡ ንጉዳይ'ቲ ኣብ 1969፡ ብሰንኪ ናፍቖት፡ ኣብ ብሪጣኒያ ካብ ዝነበረ መዓስከር ሰራዊት ኣሜሪካ ናብ ቨርጂንያ ንምኻድ ነፋሪት ዝሰረቐ ሜካኒክ ሰርጌንቲ ፖወል መየር ንኽልተ ዓመት ክትምርምር ጸኒሓ። ሆላንዳዊ ቲዮ ቫን ኤይክ`ውን ነቲ ታሪኽ ምስ ኣንበበ፡ ወተሃደር ኣብ ዝነበረሉ እዋን ነፋሪት ከምዝሰረቐ ኣዘንትዩ። ኣብ ቤት ቫን ኤይክ ካብ ዝርከብ ነገራት፤ እታ ዝያዳ ሰሓቢት፡ እታ ታሪኽ ናይ ሓደ ካብ ወተሃደራዊ መዓስከር ማልታ፡ ነፋሪት ሰሪቑ ናብ ከተማ ቤንቓዚ ሊቢያ ዝበረረ፡ ባሕረኛ መንእሰይ እተዘንቱ ናይ 1964 ሕታም ሆላንዳዊት ጋዜጣ እያ። \"ኣነ'የ [ነፋሪት ሰሪቐ ዝሃደምኩ]!\" ብምባል ቫን ኤይክ ሰሓቐ። ንሱ፡ ወዲ 76 ዓመት ሰብኣይ እዩ ሕጂ። \"እቲ ኣብ'ቲ ስእሊ እትርእዮ ሰብኣይ ኣነ'የ፡ ሽዕኡ ወዲ 21 ዓመት'የ ነይረ\"። ንሱ ነቲ ጽሑፍ ኣንቢቡ ክትርጉመለይ እንከሎ በዓልቲ ቤቱ፡ ቡን እናቐበለትኒ ብምግራም ርእሳ ትንቕንቕ ነይራ። \"ትምክሕተኛ ሰብኣይ\" እናበለት ኢዳ እናዋጣወጠት ትቕልደሉ። ንሱ ድማ \"ጽቡቕ ተግባር'ዩ፡ ሽዑ ግን ኣይፈልጠክን'የ ነይረ\" ይብላ። ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ቫን ኤይክ ናይ ምብራር ሕልሚ ዝነበሮ መንእሰይ እዩ ነይሩ። ወዲ ሸውዓተ ዓመት እንከሎ'ዩ ናይ ምብራር ሕልሚ ሓዲርዎ። ኣብ ትምህርቲ ንፉዕ ከምዘይነበረን ናብ ሓይሊ ኣየር ተጸምቢሩ፡ ናብ ምብራር ነፋሪት ዘእትዎ ነጥቢ ከይስእን ፍርሒ ከምዝነበሮ ተኣሚኑ። ድሒሩ ግን ሓደ መንእሰይ፡ ከም ሰልጣኒ ክኢላ ኤለትሪክ [ኤለትሪሻን] ኮይኑ ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ሆላንድ ክጽንበር ከምዝኽእልን፡ ጽቡቕ ነጥቢ እንተረኺቡ ድማ ናይ'ቲ ሓይሊ ባሕሪ ኣብራሪ ነፋሪት ንምዃን ስልጠና ክወስድ ከምዝኽእል ሓበሬታ ረኺቡ። ነዚ ምስ ሰምዐ፡ እቲ ምሉእ ርእሰ-ምትእምማን ዝነበሮ ወዲ 19 ዓመት ዝነበረ ቫን ኤይክ ዓይኑ ከይሓሰየ ናይ ሸሞንተ ዓመት ስልጠና ንምውሳድ ተመዝጊቡ። ኣብ ክፍሊ በረራ [ኮክቢት] ናይ ሓንቲ ንእሽቶ ነፋሪት ኮይኑ ዝተሳእላ ጻዕዳ [ብላክ ኤንድ ዋይት] ስእሊ ኣምጺኡ ኣርእዩኒ። ኣብ ሓደ ዓቢ ቆብዕ ናይ ኣብራሪ [ሄልመት] ጥሒሉ ብሓጎስ ዝተፈንጭሐን ንኽበርር ደኣ'ምበር ንክጽበ ዓቕሊ ዝሰኣነ ርቡጽ ወዲ ተዓዚበ። \"እህህ፡ ኩሉ ነገር ብጽቡቕ'ዩ ጀሚሩ ነይሩ\" ይብል፡ ኣብ'ቲ ስእሊ ከምዝረኣኽዎ ሕጉስ ይመስል ከም ዝነበረ ምስ ነገርኩዎ። \"ነቲ ናይ ኣብራሪ ስልጠና ምስተመረጽኩ ፈትየዮ ነይረ\" ኢሉ። ኣብ ፈለማ 1964፡ ቫን ኤይክ ናይ ኣስታት 40 ሰዓታት በረራ ከምዝገበረ ኣብ መዝገብ ምስ ሰፈረሉ፡ ብሓጎስ ተፈንጪሑ ናይ ደስደስ ድግስ ንምድጋስ ኣብ ሆላንድ ናብ ዝርከብ ሓደ መዓስከሩ ከይዱ፡ ኣማስያኡ ድማ ሰኺሩ። ሓለቕኡ ድማ ኣብ'ቲ ድግስ ነበረ'ሞ፡ ብዛዕባ ብቕዓት ናይ'ቲ ብምውህሃድ ሓይሊ ኣየር ቤልጂምን ሓይሊ ባሕሪ ሆላንድን ዝወሃብ ዝነበረ ስልጠና ብግልጺ ክመያየጥሉ ከምዝደሊ ንቫን ኤይክ ሓበሮ። ቫን ኤይክ ከኣ ግልጺ ኮይኑ ከዕልሎን፡ ንሱ ድማ ብድምጺ ከምዘይቀድሖን ቃል ኣትዩሉ። እቲ ወዲ 21 ዓመት ቫን ኤይክ ድማ፡ ምናልባት ብየዋህነት፡ ብግልጺ ተዘራሪቡ። በተን ቬልጂማዊያን ዝጥቀሙለን ክልተ ሞቶረ ጥራይ ዘለወን ናእሽቱ ነፈርቲ ዘይኮነ፡ ሳብማሪን ከዕንዋ ብዝኽእላ ነፈርቲ ክስልጥኑ ከምዘለዎም ተዛሪቡ። ነተን ዝስልጥኑለን ዝነበሩ ነፈርቲ ብምጥቃስ ከኣ \"ብግልጺ ንምዝራብ፡ ብላሽ'የን\" ኢሉ ከምዝገለጸሉ ቫን ኤይክ ይዝክር። ክሳብ'ዚ ህሞት'ዚ ቫን ኤይክ ምሉእን ጽፉፍን ናይ በረራ መዝገብ'ዩ ነይርዎ። ጽባሕ ናይ'ታ መዓልቲ ድግስ ግን መዝገብ በረርኡ ኣራንሾኒ ሕብሪ ዘለዎ ናይ መጠንቀቕታ ምልክት ተለጢፍዎ። እዚ ማለት ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ተሪፍካ ተባሂሉ ክስጎግ ከምዝኽእል ዝእምት ነበረ። በቲ ዘይፍትሓዊ ስጉምቲ ዘንጸርጸረ ቫን ኤይክ፡ እቲ ኣሰልጣኒ ክሳብ ዝመጽእ እናተጸበዩ እንከለዉ፡ ኣብ'ቲ ጸሊም ሰሌዳ ናይ'ቲ ዝመሃርሉ ዝነበሩ ክፍሊ፡ ብዛዕባ ዝሕታለ ናይ'ቲ ስልጠና ዝገልጽ ዕቡይ ጽሑፍ ጽሒፉ። እታ ተግባር'ቲኣ ከኣ ኣብ'ቲ ዝሰዓበ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ'ቲ መዓስከር ከምዝእሰር ገይራቶ። ኣብቲ ተኣሲርሉ ዝነበረ ክፍሊ ሓንቲ ጣውላ ዘሊቓ ስለዝጸንሓቶ ንዓኣ ተጠቒሙ ኣምሊጡ። ከምዝሃደመ ምስ ተረጋገጸ ከኣ ብኡ ንብኡ ካብቲ ናይ ኣብራሪ ስልጠና ተባሪሩ። ንተውህቦኡ ዘድንቑ ዝነበሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግን ይግባይ ክብል ኣተባቢዖሞ። እንተኾነ ብዘይፍላጥ ግጉይ መምልኢ ቅጥዒ ወረቐት ስለዝሃቡዎ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ቅኑዕ መስርሕ ከምዘይተኸተለ ተሓቢርዎ። ካልእ ዝኾነ ይኹን ስጉምቲ ንክወስድ ከኣ ጊዜ ኣይነበረን። ኣብራሪ ኮይኑ ክስልጥን ስለዘይክእል ነተን ተሪፈንኦ ዝነበራ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ'ቲ ሓይሊ ባሕሪ ከም ቴክኒሻን ኮይኑ ክቕጽል ተሓቢርዎ። \"ካብ ሓደ ብዙሓት ቖልዑ ዘለውዎ ስድራ'የ ዝውለድ\" ይብል፡ እቲ 12 ቖልዑ ካብ ዘለውዋ ስድራ መበል ታሽዓይ ኮይኑ ዝተወልደ ቫን ኤይክ። \"ኣብ ስድራና ድማ ሓቂ፡ ሓቂ ምዃና፡ ሓሶት ድማ ሓሶት ምዃና ኢና እንፈልጥ። እዚ [ናይ ምስጓግ ውሳነ] ግን ጌጋ'ዩ ነይሩ። በቃ ፍትሓዊ ኣይነበረን ምኽንያቱ፡ ተገዳስነት ከምዝነበረኒ ብዙሕ ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም\" ብምባል ድማ ዝተዓፈነ ሰሓቕ ሰሓቐ። \"ካብ ሆላንድ፡ እቲ መንገዲ ነዊሕ'ዩ ነይሩ። ምስ'ቲ ኩሉ ዝነበረ ናይ ሽዑ ፖለቲካዊ ሽግር፡ ንጀርመን ክኸይድ ኣይደለኹን። ሓደ መዓልቲ ድማ ሓይሊ ባሕሪ ብሪጣንያ ናብ ማልታ ዝኸዱ ሰባት የናድዩ ስለዝነበሩ፡ ካብ ማልታ ናብ ዝኾነ ቦታ ክበርር ከምዝኽእል ሓሰብኩ\" ይብል ንሱ። ኣብ ማልታ፡ ቫኔይክ ኣብ`ቲ ናይ ውልቂ ነፈርቲ ዝዓልባሉ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ`ቶም መካኒካት እናዕለለ፡ ንኩሉ እቲ ዝገብርዎ ነገራት ክዕዘብ ጀመረ። ንግሆን ምሸትን ድማ ነታ ክሳብ ሕጂ ዝውንና መጽሓፍ ሓበሬታ ናይ`ታ ትራከር ዝዓይነታ ነፋሪት ምንባቡ ቀጸለ። ኣብ`ታ ቅድሚ ንዓዱ ምብራሩ ዝነበረት ናይ መወዳእታ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ዝነበረ ናይ ፈነወ ድግስ ብትሕትና ተሳተፈ። እቶም ብጾቱ ነቲ ዝውሕዝ ዝነበረ ኣልኮላዊ መስተ ሓንፊፎም ክስነፉ እንከለዉ፡ እቲ መንእሰይ ቫን ኤይክ ንኸይሰክር ጥንቁቕ ነበረ። \"ኣብ`ዚ ህሞት`ዚ ድማ`ዩ ታሪኸይ፡ ንታሪኽ ሰርጌንቲ ፖወይ መየርስ ዝመሳሰል\" ኢሉ። \"ምኽንያቱ፡ ንጽባሒቱ ንግሆ ተንሲአ ሓንቲ ሞተር ብሽግለታ ተለቂሐ ናብ`ቲ መበገሲ ነፋሪት [ራንወይ] ኣምሪሐ። ሰርጌንቲ መየር፡ ነቲ ተረኛ ዘብዐኛ 'ኣነ ካፕተይ ኤፕስተይን`የ ዝበሃል' ኢልዎ። ኣነ ድማ ነቲ ዝነበረ ዘብዐኛ 'ጃንሰን`የ ዝበሃል' ኢለዮ። መን ምዃነይ ዝፈልጦ ነገር ስለዘይነበሮ ድማ ነቲ መሓድሮ ነፋሪት [ሃንገር] ከፊቱለይ\"። ቫን ኤይክ፡ ነቲ ስርቂ ብዓቢ ጥንቃቐ ወጢንዎ ስለዝነበረ፡ ምናልባት ውጥኑ ቀልጢፉ ከይቅላዕን እቲ ዘብዐኛ ከየርክቦን ናይ`ቲ ዘብዐኛ ሽጉጥን ሞተር ብሽግለታን ለኲቱ፡ መጒልሒ ድምጺ ናይ`ታ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ዝነበረት ቴለፎን ኣቐዲሙ ኣልይዎ። ቫን ኤይክ፡ ነዚ ልቢ ዝሰልብ ናይ'ታ ንግሆ'ቲ'ኣ ዛንታ ከዘንቱ እንከሎ እተን ሰማያዊ ዝሕብረን ኣዒንቱ ውርሕሪሕ ይብላ ነይረን። \"ብድሕሪ'ዚ ነቲ ሞተረ ኣተንሲኤዮ። ነታ ረዲዮ ርክብ እውን ወሊዐያ። እቲ ናይ መቆጻጸሪ ግንቢ [ኮንትሮል ታወር] ድማ መን ምዃነይን እንታይ እገብር ከምዝነበርኩን ሓተተኒ። መልሲ ግን ኣይሃብኩን። ስቕ ኢለ ጥራይ ናብ መብረሪ ቦታ ኣምሪሐ\"። \"በቃ፡ ብድሕሪ'ዚ [ንሰማይ]ተዓዚረ\"። እታ ክልተ ሳብማሪን ዘዕንዉ ሮኬታት ዝዓጠቐት ነፋሪት ሓይሊ ባሕሪ ሆላንድ ድማ ናብ ሰሜን ኣፍሪቃ ኣምረሐት። \"እቶም ሮኬታት ቁሩብ ኣስጊኦሙኒ ነይሮም\" ኢሉ ተኣሚኑ። \"እንተኾነ ንኽወጽእ ጥራሕ እደሊ ስለዝነበርኩ ኣይዓጀበንን፡ እቲ ሓይሊ ባሕሪ ክመልሰኒ ዝኽእለሉ መንገዲ'ውን ኣይነበሮን\"። ቫን ኤይክ ነዳዲ ንምቑጣብ ኣብ ልዕሊማእከላይ ባሕሪ\/ሜዲተራኒያን ኣብ 5,000 ጫማ ብራኸ ንበይኑ'ዩ ይበርር ነይሩ። \"ሰርጌንቲ መየር [ከም'ቲ ኣነ ዝገበርኩዎ ክገብር እንከሎ] ከመይ ከምዝተሰምዖ ተፈሊጡኒ\" ይብል ቫን ኤይክ። \"ምኽንያቱ ከምኡ'ዩ ተሰሚዑኒ። ኣብ ምሉእ ህይወተይ እቲ ዝበለጸ ነገር'ዩ ነይሩ፡ ምኽንያቱ ኩሉ ሰብ ኣይግበርን'ዩ ዝብሎ ነገር ኢኻ ትገብር ዘለኻ። ኣብ'ታ ዓባይ ማሽን፡ ኣብ'ቲ ሰፊሕ ሰማይ፡ ንስኻ ንበይንኻ፡ ካብ ኩሉ ሰብ ድማ ዝሓየልካ\"። ኣብ መንጎ፡ ብሃንደበት ዘረብኡ ደው ኣቢሉ። ይበኪ ከምዝነበረ ድማ ተረዲአ። \"[ስምካን ተግባርካን] ካባኻ መንጢሉ ክወስዶ ዝኽእል ሰብ የለን\" ድማ ይብል ሕንቕንቕ እናበለ። \"መስተንክር'ዩ ነይሩ፡ ኣዝዮ ድማ ሓያል። ክሳብ ሕጂ ድማ እቲ ዝነበረ ስምዒት እስምዓኒ። ክገብሮ ከምዝኽእል ድማ ፍጹም ዝኾነ ርእሰ-ምትእምማን ነይሩኒ\"። ሰርጌንቲ መየር ኣብ'ቲ ናይ ኣብራሪ መንበር ኮፍ ምስ በለ ናበይ ከምዝኸይድን እንታይ ይገብር ከምዘሎን ንምግምጋምን ንነብሱ ንምህዳእን በታ ናይ ነፋሪት ራዲዮ ንበዓልቲ ቤቱ ከምዝደወለላ ንቫን ኤይክ ኣዘኻኺረ፡ ንሱ'ኸ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ\/ኩነታት ክብገስ እንከሎ ብዛዕባ ስድራኡ ይሓስብ እንተነይሩ ንክፈልጥ ሓቲተዮ። \"ኣደይ\" ድማ በለ ድምጹ ትሕት ኣቢሉ። \"እወ፡ ብዛዕባ ኣደይ እሓስብ ነይረ። ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ ይኸውን ህያብ ሰዲደላ ነይረ። ብብሩር ዝተሰርሐት መስቀል'ያ ነይራ። ገለ ነገር ክገብር እሓስብ ከምዘለኹ ድማ ገሚታ። ኣደይ ወላዲተይ\" ኢሉ። ንብዓቱ ክቆጻጸር እናተቓለሰ ድማ ቡን ክሰቲ ጊዜ ክወሃቦ ሓተተ። ብዛዕባ ውሑስ መዕለቢ ቦታ እናሓሰበ፡ ቫን ኤይክ ንሓሙሽተ ሰዓትን ፈረቓን በረረ። ሰራዊት ብሪጣኒያ ኣብ ሊብያ ከተማ ትሪፖሊ ስለዝነበረ ብአኦም ከይረአ ሰጊኡ ኣብ ከተማ ቤንቓዚ ብኽልተ ጎኑ ኣጓዱ ኣብ ዝነበርዎ ንእሽቶ መዕለቢ ነፈርቲ [ኣየር ስትሪፕ] ኣምርሐ። እቲ መዓርፎ ኣባጊዕ መሊኤንኦ ስለዝነበራ ንክብትነን ቁሩብ ለጠቕ ኢሉ ንሓያሎ ጊዜ ኣብ ልዕሊኤን ዘምብዩ ምድሪ ረገጸ። ኣተዓላልብኡ ኣበር-ኣልቦ ምንባሩ ብሓበን ይዝክር። እዚ ንኣዘዝቱ ክንገሮም ምዃኑ ብምሕሳብ ድማ ደስታ ተሰምዖ። \"ብጽቡቕ እንተዓሊበ እቶም ሓለፍቲ ሓይሊ ባሕሪ ነፋሪት ከብርር ከምዝኽእል ክፈልጡ'ዮም' ኢለ እሓስብ ነይረ\" ናይ በረራ መዝገቡ ካብ ጣውላ ኣልዒሉ ኣብ ግንቦት 1964 ኣብቲ መዝገብ ዝተጨሓጋገረ ጽሑፍ ኣርኣየኒ። በታ ዝሰረቓ ነፋሪት ዝገበሮ ዘይሕጋዊ በረራ ከኣ ብድፍረት ኣብቲ መዝገብ ኣስፊርዎ። ኣብቲ ሓደ ገጽ ከኣ ሓደ ዝኾነ ሰብ \"ኣብ መዝገብ ክኣቱ ዘይብሉ\" ኢሉ ብጽኑዕን ብዝነደረ ኣጸሓሕፋን ጽሒፍሉ'ሎ። ቫን ኤይክ ብዝገርም ኩነታት፡ ምስ ዓለበ፡ ሓደ ሰብ ካብ'ተን ኣጓዱ ቀዲሙ እናጎየየ ወጽአ። ንሱ ከኣ ኣብ ሓደ ናይ ሊብያ ትካል ዝሰርሕ ሆላንዳዊ'ዩ ነይሩ። ንሱ ሓንቲ ወተሃደራዊት ነፋሪት ኣብ'ቲ ቦታ ክትዓልብ ብምርኣዩ ኣዝዩ ደንጽይዎን ሰንቢዱን ነበረ። እቲ ደኺሙ ክነሱ ግን ከኣ ፍሱህ ዝነበረ ቫን ኤይክ ታሪኹ ከፍስስ ጀመረ። እንተኾነ ግን ብዛዕባ መጻኢ ናይ ህይወት መደባቱ፡ ማለት ምፍናው ካብ ሓይሊ ባሕሪ፣ ሓዲሽ በርጌሳዊ ህይወትን ጽቡቕ ስራሕን እናዕለለ እንከሎ፡ እቲ ወዲ ዓዱ ክጽወግ ምስ ተዓዘበ፡ ምናልባት ንመደባቱ ጽቡቕ ገይሩ ከምዘይሓሰበሉ ተገንዘበ። ኣብ ሽግር ወዲቑ ከምዘሎን ንኤውሮጳ ክምለስ ይሓስብ እንተነይሩ ድማ፡ ብርግጽ ክእሰር ምዃኑ፡ እቲ ሆላንዳዊ ኣጠንቀቖ። ብመሰረት ምኽሪ ወዲ ዓዱ ድማ ንፖሊስ ሊቢያ ኢዱ ሃበ። ንሳቶም ሓደ ሆላንዳዊ ጨዋይ ነፋሪት ብምሓዞም ሞተር ብሽግለታታት ኣምሪሖም ኣብ'ቲ ጽርጊያ መጉየዪ ነፈርቲ ብፈንጠዚያ ክግዕሩን ክሰራሰሩ ምርኣዩ ይዝክር። ቫን ኤይክ፡ ሕጂ'ውን ብምኽሪ ወዲ ዓዱ፡ ንነጻ ኣረኣእያ ኤውሮጳ ኣብ ጉዳይ ግብረ-ሰዶመኛነትን ደቂ ኣንስትዮን ተቓዊሙ ሃዲሙ ከምዝመጽአ ኣምሲሉ ስለዝነገሮም ግን ናይ ፖለቲካ ዑቕባን ውሕስነትን ተዋሂብዎ። ኣዘዝቲ ሰራዊት ሆላንድ፡ ነቲ ብዘይ ፍቓድ ካብ ስራሕ ዝቦኸረ ሰልጣኒን ዝተሰርቀት ነፋሪቶምን ንምርካብ ምስ መጽኡ፡ ሓደ ሓደ ጊዜ ንምርካቦም ይኣቢ ነይሩ። ብዛዕባ'ቲ ሽዑ ዝነበር ናይ ስልጣን ጸወታ [ፓወር ጌምስ] ዘኪሩ ዓቢ ፍሽኽታ ከርእይን ኪርኪር ኢሉ ክስሕቕን ርኢኻ፡ ቫን ኤይክ ነቶም ሕልሙ ንኸይትግብር ዝዓንቀፍዎ ሰበስልጣን ክጻወተሎም ምኽኣሉ ከምዘሕጉሶ ግልጺ ኮይኑ ይረኣየካ። ድሕሪ ናይ ሓደ ሰሙን ዘተ ምስ ናይ'ቲ እዋን ኣምባሳደር ሆላንድ ኣብ ሊብያ፡ ቫን ኤይክ ናብ ሆላንድ ክምለስን ብምህዳሙ ንሓደ ዓመት ክእሰር፡ ብኣምሳይኡ ድማ ካብ'ቲ ሓይሊ ባሕሪ ብኽብሪ ክሰናበት ተሰማሚዑ። \"እቲ ዝደለኽዎ ረኺበ'የ። ይብል ቫን ኤይክ። \"ካብ'ቲ ሓይሊ ባሕሪ ክወጽእ እደሊ ነይረ፡ ወጺአ ኸኣ፡ በቲ ዝገብርክዎ ድማ ኣይጣዓስን'የ\" ይብል ንሱ። ዳሕራይ ግን መዝገብ በረራኡ ብኻልኦት ኣብ ሆላንድን ኣብ'ታ ንብዙሕ ዓመታት ዝነበረላ ደቡብ ኣፍሪቃን ብዝገበሮም ሕጋውያንን በረራታት ዝመልአ'ዩ። ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጽአ፡ ቫን ኤይክ ብሕታዊ ኣብራሪ ንምዃን በቒዑ'ዩ። \"ንሱ'ዩ ኩሉ ዝደልዮ ዝነበርኩ\" ድማ በለ መንኩቡ ሰው እናበለ \"በቃ፡ ክበርር ጥራይ'የ ዝደሊ ነይረ\"። ቫን ኤይክ፡ እቲ ነታ ዝሰረቓ ነፋሪት ሒዙ ዝወደቐ ሰርጌንቲ መየር ካብ ናቱ ዝተሓተ ተመክሮ ከምዝዝነበሮን፡ ቀሊል ጌጋ ናይ ኣብራሪ [ፓይሎት ኤረር] ከምዝፈጸመ'ዩ ቫን ኤይክ ዝግምት። \"ርኤኺ፡ ንዓይ ከርክቡ ሰለስተ ነፈርቲ'ዮም ሰዲዶም\" ይብል ንሱ። \"እንተኾነ ግን ግጉይ ኣንፈት ስለዝሓዙ ክረኽቡኒ ኣይከኣሉን። ዳሕራይ ግን ምስ'ቶም ኣብረርቲ ተዘራሪበ'የ፡ ምሳይ ብራዲዮ ተዘራሪቦም ክስዕቦም ከእምኑኒ ጥራይ መምርሒ ከምዝተዋህቦም ድማ ነጊሮሙኒ። ቶኲሶም ከውዱቑኒ መምርሒ ኣይተዋህቦምን፡ ክልተ ሮኬታት ከምዝነበረኒ ኸኣ ዘክሪ\"። \"ሓደ ሓደ ጊዜ ክሓስቦ እንከለኹ፡ ገይረዮ እየ ኢለ'ውን ኣይኣምንን'የ\" ድማ ይብል። \"መስተንክር'ዩ! ግን ኮይኑ። መስተንክር'ዩ ግን ተፈጺሙ\"","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50259127"} {"headline":"ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ስለምንታይ ተመስሪቱ? ኣብዚ እዋን'ከ ኣድላይ ድዩ?","content":"ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)፡ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ 1949 እዩ ተመስሪቱ። ቀንዲ ዕላማ እታ ኪዳን ኸኣ ፖሎቲካውን ወተሃደራውያን ሽርክነት ብምፍጣር ንሓባራዊ ምክልኻል ዝዓለመ እዩ። እዚ ኪዳን'ዚ ኣብዚ ዓለም ተቐይራትሉ ዘላ ድሕሪ 70 ዓመት፡ ናይ ብሓቂ ኣገዳሲ ድዩ ዝብል ሕቶ ይለዓል ኣሎ? ኣብዚ ቀረባ ግዜ፡ ኣብ ኔቶ (ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ) ዘሎ ናይ ስራሕ ሃዋህው፡ ካብ ኣሜሪካ፤ ፈረንሳይ፤ ከምኡ'ውን ቱርኪ ነቐፌታታት የጋጥሞ ስለዘሎ ዘተባብዕ ኣይኮነን። እዘን ብኣሜሪካ ዝመርሓ 29 ኣባላት እቲ ኪዳን፡ ሎሚ ቅነ ኣብ ለንደን ኣኼባ የካይዳ ኣለዋ። ብዛዕባ ናይ መጻኢ ቀጻልነቱ ድማ ብዙሓት ዘይተመለሱ ሕቶታት ተንጠልጢሉ ይርከቡ። ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ኣብ 1949 ብኣመሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ካናዳ፡ ፈረንሳ፡ ዴንማርክ፡ ሆላንድ፡ ኖርወይ፡ ፖርቱጋል፡ ኣይስላንድ፡ ላክስንበርግ፡ ጣልያንን በልጂምን እዩ ተመስሪቱ። ቀንዲ ዕላማ ኔቶ ሃገራት ምዕራብ ኤውሮጳ ምስ ኣሜሪካ ብምትሕብባር፡ ብሶቬት ሕብረትን መሻርኽታን (ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ) ከጋጥመን ንዝኽእል ተጻብኦታት ንምምካትን፡ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ኪዳን ንምምስራትን'ዩ ነይሩ። ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዓቢ ዓወታት ዘመዝበ ሰራዊት ሕብረት ሶቭየት፡ ኣብ ምብራቕ ጀርመን ዓሪዱ ተሪፉ። ሞስኮ፡ ንምብራቕ ጀርመን ሓዊስካ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ሃገራት ዓቢ ጸቕጢ ትገብር ነይራ። ርእሲ ከተማ ጀርመን በርሊን፡ ኣብ ኢድ ኣሜሪካን ብሪጣንያን ፈረንሳን ብምውዳቓ፡ ኣብ መፋርቕ 1948 ናይ ሶቭየት መራሒ ዝነበረ ጆሴፍ ስታሊን ንምዕራብ ጀርመን ካብ ምብራቕ ጀርመን ፈጺሙ ዓጽይዋ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ሽዑ ዝተፈጥረ ወተሃደራዊ ምፍጣጥ፡ ነታ ከተማ ብነፋሪት ክምግቡዋ ስለዝጀመሩ እቲ ኩነታት ሃዲኡ። ንከምዚ ዓይነት ተጻብኦታት ንምምካት ድማ፡ ብኣሜሪካ ዝምርሓ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ብ11 ሃገራት'ዩ ቆይሙ። ኣብ 1952 ድማ ቱርክን ግሪኽን ተጸንቢረንኦ። ከም ግብረ መልሲ ምምስራት ኔቶ ኸኣ፡ ሕብረት ሶቭየት'ዉን፡ ንሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ (ፖላንድን ምብራቕ ጀርመንን) ብምጽንባር፡ ኣብ 1955 ኣብ ርእሰ ከተማ ፖላንድ ዋርሶ ብምትእኽኻብ \"ዋርሶ\" ዝተሰምየ ኪዳን መስረታ። እንተኾነ እዚ ኪዳን ኣብ መወዳእታ 1991 ምስ ምብትታን ሕብረት ሶቬት ተበታቲኑ። ወግዓዊ ጭርሖ ኔቶ \"ናጽነት፤ ሓባራዊ ውርሻን ስልጣነን ምሕላው\" ዝብል ኮይኑ፡ ናይ ኣባላት ሃገራት \"ርግኣትን መነባብሮን ኣትላንቲክ\" ኣብ ምድንፋዕ ይሰርሕ። እቲ ዝተመስረተ ስምምዕ ከምዝሕብሮ፡ ሓንቲ ኣባል እቲ ኪዳን እንተተጠቒዓ፡ ኩለን ኣባል ሃገራት ከምዝተጠቕዓ ስለዝቑጸር፡ እቲ ኪዳን ብሓባር ይከላኸልን ይተሓጋገዝን። እቲ ኪዳን ንሕብረት ሶቭየትን ዴስነትን፡ ከም ቀንዲ ጸላኢ ውሕስነቱ ገይሩ እዩ ዝወስዳ። እቲ ኪዳን ካብ ዝምስረት፡ ን1000 ኪ.ሜ ዝኸውን ናብ ሞስኮ ቀሪቡ ኣሎ። እቲ ኪዳን ድማ፡ ነተን ቀደም ኣብ ትሐቲ ሕብረት ሶቭየት ዝነበራ ሃገራት ኣብ ማሕበሩ ኣእትዩወን ይርከብ። ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ምዕራባውያን ሃገራት ካብ ሞስኮ ክመጽአን ዝኽእል ስግኣት ምሕሳብ ኣቛሪጸን ኣይፈልጣን እየን። ሩስያ ክሳብ ሕጂ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ጎብለል ስለዘላ፡ ኔቶ ነዚ ኩነታት ኣብ ግምት'ዩ ዘእትዎ። ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ብኣሜሪካ ዝምወል ኪዳን፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ጣልቃ ብምእታው፡ ንሽግራተን ኣብ ምፍታሕ ተዋፊሩ ይርከብ። ኔቶ፡ ኣብ ፈለማ ተስዓታት ኣብ ቦዝንያን ዩጎዝላቭያን ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝተዋህቦ ስልጣን ወተሃደራዊ ንጥፈታት ኣካይዱ። ድሕሪ'ቲ ብ11 መስከረም 2001፡ ኣብ ኣመሪካ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ'ውን ኔቶ ሰራዊቱ ኣንጻር ኣልቓዒዳን ጣሊባንን ንምውጋእ ናብ ኣፍጋኒስታን ልኢኹ። ክሳብ ሎሚ ድማ ኣስታት 17 ሽሕ ዝኾኑ ሰራዊት ኔቶ ኣብ ኣፍጋኒስታን ተዋፊሩ ይርከብ። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንኔቶ ብዙሕ እዋን ነቒፍዎ እዩ። ካብ 2016 ፕረዚደንታዊ ተወዳዳሪ እንከሎ ጀሚሩ፡ እቲ ኪዳን ተበታቲኑ እንተጠፊኡ 'ጽቡቐ' ክብል ገሊጹ ነይሩ። ትራምፕ፡ ሓንቲ ካብ ኣባላት ኔቶ እንተተጠቒዓ፡ ኣሜሪካ ነቲ ሕጊ ኪዳን ብምግሃስ፡ ነተን ሃገራት ክትከላኸለለን ከምዘይትኽእል ሓቢሩ ነይሩ። ምምሕዳር ትራምፕ ብኣበርክቶ ኣባላት ኔቶ'ውን ሕጉስ ኣይኰነን። ኣሜሪካ ንውሕስነት ካልኦት ሃገራት ኢላ ብዙሕ ገንዘብ ከምተጥፍእ እዩ ዝዛረብ። እቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ኣብ እንግድዓ ኣመሪካ ተመርኲሱ'ዩ ዝቕጽል ዘሎ'ዩ ዝብል። ስለዚ ኩለን ኣባላት ሃገራት 2% ናይ ባጀተን ንኔቶ ከበርክታ ኣለወን በሃላይ እዩ። ኣሜሪካ ን70% ሚእታዊት እቲ ኪዳን ባዕላ ትሽፍኖ። ኣብ 1951 ኣብ ኔቶ ዝተጸንበረት ቱርኪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ኩርዳውያን ሓልታታት በይናኣዊ ስጉምቲ ብምውሳድ፡ ኣብ ሞንጎ ኣባላት ሃገራት ፍልልይ ኣምጺኡ እዩ። ከም ግበረ-መልሲ፡ ካብ 28 ኣባላት ኤውሮጳዊ ሕብረት እተን 22 ንቱርኪ ኣጽዋር ከይሸጣ ተሰማሚዓን ። ንቱርኪ ኣጽዋር ዝሸጣ ሃገራት ፈረንሳ፡ ስጳኛ፡ ከምኡ'ውን ብሪጣንያ እየን። እንተኾነ፡ ምስ ግዜ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዝምድና ሩስያን ቱርክን፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ኔቶ ስግኣት ይፈጥር ኣሎ። ቱርኪ፡ ንናይ ኣመሪካ ጸቕጢ ዕሽሽ ብምባል፡ S-400 ዝዓይነቱ ምዕቡል መከላኸሊ ሚሳይላት ካብ ሩስያ ዓዲጋ። ኣመሪካ፡ እቲ ስርሓት ሩስያ ዝኾነ ስርዓተ ምክልኻል፡ ምስተን ቱርኪ ካብ ኣመሪካ ዝዓደገተን፡ F-35 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእን፡ ስርዓተ ምክልኻል ወታሃደራዊ ኪዳን ኔቶን ከም ዘይሰማማዕ ኣጠንቂቓ ነይራ። መንግስቲ ቱርኪ፡ 100 ዝበጽሓ F-35 ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ንምግዛእ ንዘቕረበቶ ጠለብ ድማ ብኣሜሪካ ተነጺጉ። መልሲ ናይዚ ሕቶ፡ ኣብ ናይ ሩስያ ጆኦግራፍያውን ፖሎቲካውን ኣቃውማ እዩ ዝምርኮስ። ምክትል ሓላፊ ኔቶ ነበር ኣሌክሳንደር ቫርቦው ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ወራሪት ሩስያ ክሳብ ዘላ፡ ኔቶ ንሓባራዊ ምክልኻልን መዕገቲ ስግኣትን ክህሉ እዩ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። ብተወሳኺ፡ ኔቶ ንዝመጽእ ዓሰርተታት ዓመታት ወይ'ውን ንዝመጽእ 70 ዓመት ክህሉ ከምዝኽእል ሓቢሩ። ወላ እኳ ፕረዚደንት ትራምፕ ንኔቶ ብቀጻሊ እንተነቐፎ፡ ባይቶ ኣሜሪካ ግን፡ ኣሜሪካ ካብቲ ኪዳን ንኸይትወጽእ ሕጊ ኣሕሊፉ እዩ። ክልቲአን ሰልፍታት ኣሜሪካ እውን ደጊፈንኦ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/50669623"} {"headline":"ዙምባብወ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ብምቅዋም ሰልፊ ተካይዱ","content":"ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ዙምባብያውያን ነቲ ብኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ኣብታ ሃገር ተነቢሩ ዘሎ እግዳ ብምቅዋም ሰለማዊ ሰልፉ ገይሮም። ኣብዚ ብመንግስቲ ዝተዳለወ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ሰልፈኛታት፡ እቲ እገዳ ንቑጠባ እታ ሃገር ክሳብ ክንደይ ከምዝደሃኾ ዝገልጽ ጽሑፋት ሒዞም እዮም ተቓውሞ ኣስሚዖም። ብኻልእ ወገን፡ ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳ ዘንበረኦ እግዳ ኣብ ልዕሊ ውለቀሰባትን ኩባንያታትን ብምዃኑ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ዘሕድሮ ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዘየለ እውን ይጥቀስ። መንግስቲ ዙምባብወ፡ ብምኽንያት እዚ ሰለማዊ ሰልፊ ሎሚ መዓልቲ ህዝባዊ በዓል ክኸውን ክእውጅ እንከሎ፡ ንሰልፈኛታት ካብን ናብን ዘበጻጽሓ ዓበይቲ ኣውቶቡሳት እውን ኣዳልዩ እዩ። ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ዝተረኸበ ፕረዚደንተ ኤመርሰን ምናንጋግዋ ንሰልፈኛታት መደረ ኣስሚዑ። \"እዚ እገዳ ኣብ ነብሲ ወከፍ ወዲ እዛ ሃገር ዝፈጠሮ ጽልዋ እዚ ኢልካ ዝግመት ኣይኮነን፡ እቲ እገዳ ጌጋ እዩ ንብለሉ ቀንዲ ምኽንያት ኸኣ ኣብ ንነብሱ ወከፍ ገዛ ስለዝጸሉ እዩ\" ኢሉ። እቶም ሰልፈኛታት \"እገዳ ክልዓል ኣለዎ\" ዝብል ጽሑፋት ዘለዎም ክዳውንትን ወረቃቕትን ሒዞም \"እዚ እገዳ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝተነበረ እገዳ እዩ\" እናበሉ ይጭርሑ ነይሮም። ዝተፈላለዩ ኣውፈርቲ ንቢቢሲ ከም ዝሓበርዎ \"እዚ እገዳ ኣብ ልዕሊ ዙምባብያውያን ገዚፍ በሰላ ዝገደፈ'ዩ\" ብምባል፡ ብሰንኪ እገዳ፡ ባንክታት ብውሑድ ወለድ ልቃሕ ደው ከብላ ብምግዳደን ኣብ ዝገበርዎ ወፍሪ ጽልዋ ከምዝፈጠረሎም ጠቂሶም። እቶም ሰልፈኛታት እዚ ንዙምባብወ ኣጋጢምዎ ዘሎ ሕጽረት ቀረብ ኤለትሪክን ማይን ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተነበረ እገዳ ዝሰዓበ ምኳን እውን ጠቒሶም። መንግስቲ ነቲ ኣጋጢምዎ ዘሎ ቁጠባዊ ፍሽለት ንምሽፋንን እቲ ጸገም ናብ ካልእ ንምልጋብን ሓሲቡ ዝወጠኖ ሰለማዊ ሰልፊ'ዩ ዝበሉ እውን ኣይተሳእኑን። መራሒ ተቃዋሚ ሰልፊ ኔልሰን ቻማሳ፡ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ንዘሎ ናይ ኣመራርሓ ጸገም ንምሽፋን መንግስቲ ዝወደቦ 'ፕሮፖጋንዳ'ዩ' ኢሉ። ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ወከልቲ ዜና ቢቢሲ፡ ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ክንድቲ መንግስቲ ዝገመቶ ሰብ ከምዘይተሳተፈ ብምሕባር፡ እቶም ሰለማዊ ሰላፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ዝተኣከባሉ ስታድዮም ኣስታት 60 ሽሕ ሰብ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ እኳ እንተሃለዎ፡ ካብ 15-20 ሽሕ ዝግመት ሰብ ጥራጥ ከምዝመጽአ ሓቢሮም። ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ዜምባብወ ብወገኑ፡ ኣብታ ሃገር ኣገጢሙ ዘሎ ፖሊቲካዊ ውድቀት \"ካብ እገዳ ዝነቐለ ዘይኮነ ካብ ድኹም ዝኾነ ፖሊሲ ቁጠባ ዝተለዓለ እዩ\" ክብል ብትዊተር ጽሒፉ። ኣሜሪካ ምስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ብዝተሓሓዝ ጉዳይ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኤመርሰን ምናንጋግዋ ዝርከቦም 85 ላዕለዎት ሓለፍትን 56 ኩባንያታትን ዙምባብወ እገዳ ምንባር ዝዝከር እዩ። እቲ እገዳ ብተወሳኺ ዙምባብወ ዝኾነ ዓይነት ዕድጊት ናይ ኣጽዋር ከይተካይድ እውን ዝእግድ እዩ። ሕብረት ኣውሮጳ እውን፡ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ እታ ሃገር ናይ መገሻ፡ ናይ ምንቅስቃስ ገንዘብ ዓጽዋርን እገዳ ኣንቢሩ ኣሎ። እዚ እገዳ ቅድሚ ዕስራ ዓመታት ዝተነበረ ኮይኑ፡ ሎሚ ዓመት እውን መንግስቲ ምስቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ህዝባዊ ተቃውሞን ዝሞቱ ሰባትን ብዝተሓሓዝ ኢድ ኣለዎም ንዝበሎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣስማት ብምጥቃስ እገዳ ኣንቢርሎም ይርከብ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50193339"} {"headline":"ሸሞንተ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ከም ዝተሰማምዓ ፈረንሳ ኣፍሊጣ","content":"ሸሞንተ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ዳግመ-ምጥያስ ካብ ማእከላይ ባሕሪ (ሜዲተራንያን) ዝደሓኑ ስደተኛታት አእጃመን ንምፍጻም ኣብ ስምምዕ ምብጸሐን ፈረንሳ ሓቢራ። ጣልያን ኣብቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ከም ዘይትርከብ እቲ መግለጺ ኣረዲኡ። ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ሃገሩ፡ ነቲ ሸኽሚ ኣብ ምቅላል እጃመን ንዘይፍጽማ ሃገራት እትገብሮ ገንዘባዊ ሓገዝ ከም ዘይህሉ ኣፍሊጡ። ብዋሕዚ ስደተኛታት ተዕለቕልቕ ዘላ ጣልያን ግን ኣብዚ ጉዳይ ንዝግበር ዘተ ኣስተናዒቓቶ'ላ። ናይታ ሃገር ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ማቲዮ ሳልቫኒ፡ ጣልያን ኣብ ጉዳይ ስደት ዘለዋ ጽኑዕ ቅዋም ከይቕየር ይሙጉት ከም ዘሎ ይግለጽ። ኣብ ዓመት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ንማእከላይ ባሕሪ (ሜዲተራንያን) ኣቋሪጾም ናብ ኣውሮጳ ክበጽሑ ይፍትኑ። ሊብያ ድማ ቀንዲ መበገሲ ጉዕዞኦም'ያ። እቶም ስደተኛታት እኹል ጽገና ብዘይተገበረለንን ልዕሊ ዓቐን ሰባት ብዝጸዓናን ጀላቡ ነቲ ባሕሪ ከቋርጹ ኣብ ዝፍትኑሉ እዋን ብዙሓት ህይወቶም ስኢኖም'ዮም። ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ሓድሽ ኣማራጺ ንምድላይ ዓሊሙ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝተኻየ ዘተ፡ ሚንስትራት ጉዳያት ውሽጢን ወጻእን ሃገራት ኣውሮጳ ተራኺቦም። ፕረዚደንት ማክሮን ከም ዝሓበሮ ካብ 14 ሃገራት እተን ሸሞንተ፡ ኣብቲ ዝቐረበ ኣማራጺ ሓቢረን ንምስራሕ ኣብ ስምምዕ በጺሐን ኣለዋ። ንሱ፡ ብዛዕባ እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዝሃቦ ዝርዝር መብርሂ የለን። እተን ሸሞንተ ሃገራት ከኣ ክሮሺያ፣ ፊንላንድ፣ ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ኣየርላንድ፣ ሊቱንያ፣ ላክሰምበርግን ፖርቱጋልን ከም ዝኾና ተፈሊጡ'ሎ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49080628"} {"headline":"ውድብ ሕብራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ዝርከብ መዳጎኒ ስደተኛታት ክዕጾ ጸዊዑ","content":"ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምሉኦም ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ማእከላት መዳጎኒ ስደተኛታት ክዕጾ ጸዊዑ። እቲ ማእከላት፡ ስደተኛታት ንኽነብሩሉ ምቹእ ሰለዘይኮ'ዩ ነዚ ጻውዒት ኣቕሪቡ። እዚ ጻውዒት፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ርእስ ከተማ ትሪፖሊ፡ ብደብዳብ ነፈርቲ 53 ስደተኛታት ምስ ተቐትሉ'ዩ እዩ ዝወጽእ ዘሎ። ኩሎም እቶም ግዳያት ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጽኡ ስደተኛታት ክኾኑ እንከለው፡ ካብ ጎንጽን ድኽነትን ሃዲሞም ንኤውሮጳ ክኣትው ኣብጉዕዞኦም ተታሒዞም ዝተቐየዱ እዮም። ውድብ ሕብራት ሃገራት ነቲ ማእከላት መዳጎኒ ስደተኛታት ሊብያ 'ዘስካሕክ' ክብል ገሊጽዎ። ኣብ ሊብያ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት፡ ብመንግስቲ ኣብ ዝካየድ ማእከላት፡ ኣብ ጽንኩር ኩነታት ተታሒዞም ከም ዘለው ይፍለጥ። እዚ ናይ ቀረባ መጥቃዕቲ ኣየርን ኣብቲ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ውግእን፡ ነቲ ኩነታት መዳጎኒታት እንታይ ከም ዝመስል ኣቃሊዕዎ እዩ። ላዕላዋይ ተጸዋዒ ውድብ ስደተኛታት፡ እቲ ማእከላት መዳጎኒ ስደተኛታት ብህጹጽ ክፈርስን፡ እቶም ተኣሲሮም ዘለው ስደተኛታት ካብቲ ከባቢኦም ኣብ ዘሎ ቦታ ነጻ ክፍትሑ ኣዚዙ። እቲ ትካል ነቶም ስደተኛታት ኣብ ዘለውዎ ከባቢ ክሕግዞም ምዃኑ ኣፍሊጡ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቶም ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት፡ ናብ ሊብያ ክምለሱ ኣለዎም ንዝብል ንመምርሒታት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሊብያ'ውን ውሕስቲ ሃገር ዝለዘይኮነት፡ ነቲ ሕጊ ብትሪ እዩ ዝቃወሞ። ኣብቲ ብዕለት ሰለስተ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ መዳጎኒ ስደተኛታት፡ 120 ሰባት ከም ዝነበሩን፡ ካብኣቶም 53 ዝሞቱ፡ ደቂ ኣንስትዮን ሕጻናትን ይርክብዎም። ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍን ብቐዳማይ ሚንስትር ፈይዘል ኣል-ሴራ ዝምራሕን መንግስቲ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብሓይልታት ናይቲ ንትሪፓሊ ንምሓዝ ዝዋጋእ ዘሎ ጀነራል ሓፍታር ከሊፋ ዝተፈጸመ'ዩ እኳ እንተ ተባህለ፡ ሓይልታቱ ግን እቲ ኣብ ትሪፓሊ ዝመደበሩ መንግስቲ'ዩ ፈጺምዎ ክብሉ እዮም ዝኸሱ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ መዳጎኒ ስደተኛታት ታጁራ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር \"ናይ ኵናት ገበን\" ክብል'ዩ ገሊጽዎ። ሊብያ፡ መራሒ እታ ሃገር ዝነበረ መዓመር ቀዛፊ ኣብ 2011 ካብ ዝቕተል ንደሓር፡ ኣብ ኲናትን ዕግርግን ተሸሚማ ትርከብ።","category":"ሕብረት ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48986509"} {"headline":"ትልሂት ንነፍሰጾራት ጽቡቕ ምዃኑ ትፈልጣ'ዶ?","content":"ኣይቮሪያዊት በዓልቲ ሞያ መዋልዳን ኣቺ፡ ኣብ ሓደ ተጓንፎ ሓንቲ ነፍሰ ጾር ኣደ ኣብ ሕርሲ ክትመውት ትርኢ'ሞ \"ኣደ ህይወት ንኽትህብ ህይወታ ክትግብር የብላን\" ብዝብል፡ ነብሰ ጾር ኣደታት ማዕዳን ረኺበን ዝስዕስዓሉ ማእከል መስሪታ።","category":"ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c041d5j9enxo"} {"headline":"ታሕጓስኩም ክውስኽ እንተደሊኹም መዓልታዊ ን10 ደቓይቕ ጥራይ ነዞም ንጥፈታት ፈጽሙ","content":"ዋላ’ውን ናይ ኣእምሮ ሕማም ከም ዘለኩም እንተዘይተረጋገጸ፡ መዓልታዊ ዘጋጥመኩም ጸቕጢ፡ ዕግበትን ባህታን ካብ ህይወትኩም ብቐሊሉ ከጥፍእ ይኽእል እዩ። ካብቲ ዕንክሊል ንምውጻእ ክሕግዙኹም ዝኽእሉ ኣብ ጭብጢ ዝተመርኮሱ ስትራተጂታት ኣይሰኣኑን። ‘ኣወንታዊ ስነ-ልቦና’ ዝበሃል ሳይንሳዊ ዓውዲ ሕጉስ ስሚዒት ዘማዕብሉ ማእለያ ዘይብሉ ሜላታት የቕርብ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማእከላይ ላንካሻየር መምህር ዝኾነት ሳንዲ ማን ሓደ መፍትሒ ትህብ። ከም ስነ-ኣእምሮኣዊ ክኢላ ዝነበራ ተመኩሮ ብምህናጽ፡ ገለ ክሕግዙ ዝኽእሉ ሓሳባት ተቕርብ። ከምቲ ኣብታ ‘ቴን ሚኒትስ ቱ ሃፒነስ’ እትብል መጽሓፋ ዝገለጸቶ፡ ናታ ሜላ መዓልታዊ መዝገበ-ዕለት ዘጠቓልል ኮይኑ ብሽዱሽተ ክፋላት ዝፍጸም እዩ። ንእሽቶ ግዜ ወሲድኩም በዚ መገድታት መዓልትኹም ዳግማይ ምግምጋም፡ ቀስ ብቐስ ኣተሓሳስባኹም ከም ዝቕይሮን ኣብ መወዳእታ ኣብ ህይወትኩም ዝያዳ ሓጐስ ክትረኽቡ ከም እትኽእሉን መጽናዕቲታት ይሕብሩ። ሕማቕ ስምዒት ኣብ ዝስምዓና እዋን፡ ነቶም ብጽቡቕ ዝኸዱ ዘለዉ ነገራት ሸለል ምባል ቀሊል እዩ። መዝገበ-ዕለት ድማ ነቶም ብጽቡቕ ዝኸዱ ዘለዉ ነገራት ኣብ ቅድሚት ኣቓልቦኹም ክቕመጥ’ዩ ዝገብር። ሳንዲ፡ እቲ ረብሓታት ካብቲ ቅጽበታዊ ምልዓል ጥራይ ከምዘይኮነ ተጉልሕ። መዝገበ-ዕለት ክትጽሕፉ ከለኹም፡ ነቲ ዝሓለፈ ጽሑፋትኩም ዳግማይ ምንባብ ኣብ መጻኢ እውን ንዘጋጥመኩም ኣጸጋሚ ኩነታት ክትጻወርዎ ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ። ሳላ ‘ማሕበራዊ’ ዝኽርና፡ ሓደ ሕማቕ ስሚዒት ካልኦት ምንጪታት ጸቕጥን ዘይሕጉስነትን ንክትዝክሩ ክመርሓኩም ይኽእል። ከምኡ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ ገጻት መዝገበ-ዕለትኩም ገሊጽኩም ምንባብ ካብቲ ስምዒት ንክትወጹ ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ። እቲ ሻድሻይ ነጥቢ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሓይሊ ለውሃትነት ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ ዝተሃንጸ እዩ። ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ፡ ሕያውነት ዘለዎም ተግባራት፡ ናይቶም ኣብ ከባቢኹም ዘለዉ ሰባት ሂወት ክመሓየሽ ዝገብር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብቐጻሊ ንናይ ገዛእ ርእስኹም ስሚዒት እውን የማዕብሎ እዩ። ንኣብነትን ሓደ ዘይትፈልጥዎ ሰብ ንምሕጋዝ ቁሩብ ገንዘብ ምውጻእ ካብ ተመሳሳሊ ገንዘብ ንነብስኹም ንምውጻእ ኣዝዩ ዝያዳ ሕጉስ ከምዝገብር ኣብ ልዕሊ 130 ሃገራት ተደጋጊሙ ዝተረኣየ ርኽበት እዩ። ኣብቶም ኣጋጣሚታት ምትኳር፡ ነቶም ምዉቕ ስምዒታት ብዝበለጸ ከም እትጥቀመሉ ከረጋግጽ ይግባእ፡ ንጽባሒቱ ሓድሽ ተመሳሳሊ ዕድላት ክትደልዩ እውን የተባብዐኩም። ናይ 10 ደቓይቕ ንጥፈት ብርግጽ ተኣምራዊ ለውጢ ኣየምጽእን። ሳንዲ ማን ድማ ዝኾነ ብጭንቀት ክሳቐ ከም ዝኽእል ዝጥርጥር ሰብ ንሞያዊ ሕክምና ናብ ሓፈሻዊ ሓኪም ክኸይድ ከም ዘለዎ ትምዕድ። ነቶም ብሓፈሻ ‘ትሑት’ ውጥረት ዝስምዖምን ከቢድ ክሊኒካዊ ምልክታት ዘይብሎምን ግን፡ እዚ ናብ ቅኑዕ መንገዲ ንኽምለሱ ክሕግዝ ይኽእል እዩ። ምስ ግዜ፡ ምጽውዋርኩም እናወሰኸ ክኸይድ እንከሎ፡ ኣብ ሓደ እዋን ንዝስምዓኩም ዝነበረ ስቓይ ህድኣትን ኣስተንትኖን ክትህቡ ኣጋጣሚ ኮይኑ ክትረኽብዎ ትኽእሉ።","category":"ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c16x6y2e76yo"} {"headline":"ትራማዶል፡ ንኢትዮጵያውያን ተመሃሮን ሰብ ሞያ ሕክምናን ውሉፋት ዝገበረ ከኒና","content":"ሃናን [ኣብዚ ዛንታ ሽማ ዝተቐየረ]፡ ኣብ ሓደ እዋን ትራማዶል ዝተባህለ መድሃኒት ምጥቃም ጀሚራ ከም ዝነበረት ትዛረብ። ኣዲኣ ኣብ ውሽጢ ከተማ መቐለ ቤትመሸጣ መድሃኒት (ፋርማሲ) ኣለዋ። ንመጀመርታ እዋን ትራማዶል ዝወሓጠትሉ ኣጋጣሚ፡ ካብቲ ሽዑ ዝስምዓ ዝነበረ ቃንዛ ከህድአላ ብዝብል እምበር ጐናዊ ሳዕቤናቱ ኣብ ግምት ብምእታው ኣይነበረን። “መጀመርታ ኣይፈልጥን ነይረ፤ ሓያል ሕማም ርእሲ ይሕመኒ ስለ ዝነበረ ንዕኡ ከዐግሰለይ ኢለ እየ ወሲደዮ” ትብል። እንተዀነ፡ ድሕሪ ዝተወሰነ ደቓይቕ ስምዒታታ ክቀያየር ጀሚሩ። ምንጩ ዘይትፈልጦ ናይ ደስታ ስምዒት ድማ ንኣዋርሕ ክስምዓ ጀመረ። “እንታይ’የ ኰይነ ይብል። ኣብ ገዛ እንታይ ይጽበየኒ ኣሎ? ደሞዝ’ዶ ክኣትወለይ ኢሉ? እናበልኩ ምንጩ ዘይፈልጦ ናይ ደስታ ስምዒት ይስምዓኒ” ኢላ። ሃናን፡ ናይዚ ምንጪ ንምፍላጥ ‘ጉግል’ ክትገብር እንከላ፡ ውጽኢት ትራማዶል ምዃኑ ፈሊጣ። እቲ ንሳ እትፈልጦ ዓይነት ትራማዶል ኣብ ክልተ ከም ዝኽፈል ትዛረብ። እዚ፡ ፍርያት ጀርመንን ውሽጢ ዓድን ኰይኑ፡ “ልክዕ ይኹን ኣይኹን እኳ እንተዘይፈለጥኩ፡ እቲ ናይ ጀርመን ኢልና እንገዝኦ፡ ኣብ ውሽጢ ‘ሓያል ናይ ደስታ ስምዒት’ የጥሕለና’ዩ ኢልና ንኣምን። ብዘይ ዝዀነ ምኽንያት እዩ ሕጉስ ዝገብረካ” ትብል። ድሕሪኡ፡ እቲ ከኒና ክትወስድ ኣብ እትደልየሉ እዋን ካብ ፋርማሲ ኣዲኣ እናወሰደት ክትጥቀመሉ ጀሚራ። ግን ቀስ ብቐስ እቲ መድሃኒት እናኸበዳ ስለ ዝመጽአ፡ ናብ ወልፊ ቅድሚ ምቕያሩ ጠጠው ከም ዘበለቶ ትዛረብ። “[ሕጉስቲ ምዃን] ማንም ሰብ ዝደልዮ ስምዒት’ዩ፤ ግን እዚ ሓቀኛ ኣይኰነን። እቲ መድሃኒት ወልፊ የትሕዝ’ዩ፤ ፈጣሪ ይመስገን ኣብኡ ኣይበጻሕኩን። ቁሩብ ምስ ተጠቐምኩሉ እንታይ ይገብር ከም ዘለኹ ስለ ዝተረድኣንን ብቐሊሉ ይረኽቦ ስለ ዝነበርኩን ኣፍሪሑኒ። ድሕሪኡ ገዲፈዮ”። ብኣቆጻጽራ ኤውሮጳ ኣብ 2017፡ ኢንግሊዛዊት ላውራ ፕላመር፡ 300 መዐገሲ ቃንዛ ዝዀነ ትራማዶል ሒዛ ናብ ግብጺ ብምእታዋ ንሰለስተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዳ ነይራ። ማእሰርቲ እታ ውልቀሰብ ንብዙሓት ኢንግሊዛውያን ከሰንብድ እንከሎ፡ እቲ ጉዳይ ግን ኣብ ግብጺ ዘሎ ጸገም ሚሊዮናት ዝዀነ ወልፊ ትራማዶል ንኽቃላዕ ምኽንያት ኰይኑ እዩ። ብዙሓት መናእሰይ፡ 'ኦፒዮይድ' ዘለዎ መዐገሲ መድሃኒት ዝዀነ ትራማዶል ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክወስዱ ይጅምሩ’ዮም። ሰብነቶም ትራማዶል ዝለመደ ሰባት፡ ኣብ ውሽጦም ብዝፈጥሮ ናይ ምንቕቓሕ ስምዒት፡ ‘ምስ ወሰድኩዎ፡ ኩሉ ነገር ክገብር ከም ዝኽእል ይስምዓኒ . . .’ ፣ ‘ኩሉ ነገር’ዩ ዘረስዓኒ’ ይብሉ። ብዙሓት ሰባት፡ ሓደ ፍረ ኢሎም ጀሚሮም፡ ናብ ክልተ፣ ሰለስተ . . . የምርሑ። ብሰንኩ ምስ ተወለፉ ግን ብቐሊሉ እዚ መድሃኒት ንምግዳፍ ይጽገሙ። ሃናን፡ \"ካብ ሓደ ፍረ ከኒና ንላዕሊ’ኳ ወሲደ ኣይፈልጥን፤ ዝፈልጦም ሰባት ግን እቲ ‘ዶዝ’ እናወሰኹ’ዮም ዝኸዱ\" ብምባል ትዕዝብታ ተካፍል። ትራማዶል፡ ዋጋኡ ሕስር ዝበለን ማእኸላይ ቃንዛ ንምዕጋስ ዝውዕልን መድሃኒት'ኳ እንተዀነ፡ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ‘ኦፒዮድ’ (opioids) ወልፊ ዘትሕዝ'ዩ። ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ብጠቕላላ “ትራማዶል፡ ብመንጽር ሞርፊን፡ ትሑት ጽግዕተኛ ናይ ምዃን ዓቕሚ ኣለዎ ተባሂሉ’ዩ ዝግመት” ይብል። ኣብ ኢትዮጵያ ብሕታዊ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ኣእምሮ ዝሰርሕ ዶክተር ዮናስ ላቀው፡ ‘ኦፒዮድ፤ ብብዝሒ ቃንዛ ንምዕጋስ ዝውዕል ኰይኑ፡ ትራማዶል ኣብ ትሕቲኡ ዝርከብን ወልፊ የትሕዙ’ዮም ካብ ሞንጐ ዝብሃሉ መድሃኒታትን ከም ዝዀነ ይዛረብ። “እዞም መድሃኒታት፡ ብሓፈሻ ዘስዕቡዎ ወልፊ ከቢድ’ዩ። በዚ መንጽር ክርኣይ እንከሎ ትራማዶል ሓያል ዝብሃል ኦፒዮድ ኣይኰነን። እቶም ኣፋውስ ናይ ምንቕቓሕ ጽልዋ ስለ ዘለዎም፡ ገለ ሰባት ነዚ ኢሎም ክወስዱዎም ይኽእሉ’ዮም” ብምባል የረድእ። ቃንዛ ንምዕጋስእ ዝውሃቡ መድሃኒታት ‘ኦፒዮይድስ’ ደረጅኦምን ዓይነቶምን ዝተፈላለየ እዩ። ንኣብነት ሞርፊን፡ ኣብ ጽኑዕ ክፍሊ ሕክምና እምበር ኣብ ዝዀነ ሆስፒታል ወይ ፋርማሲ ዝርከብ ኣይኰነን ዝብል ዶክተር ዮናስ፡ ካብኡ ትሕት ዝበለ ድማ ‘ፔቲዲን’ ዝብሃል ኰይኑ፡ ወልፊ እዚ መድሃኒት ካብቲ ካልእ ሕብረተሰብ ብዝተፈለየ ብብዝሒ ኣብ ሰብ ሞያ ጥዕና ከም ዝርአ ዶክተር ዮናስ ይገልጽ። ካብዞም መድሃኒትታት ብደረጅኡ ኣብ መወዳእታ ዝስራዕ ትራማዶል እዩ። እዚ፡ ምስቶም ኣብ ዝርዝር ኦፒዮድ ዘለው መድሓኒታት ክወዳደር እንከሎ ዘስዕቦ ጉድኣት ወይ ወልፊ ናይ ምዃን ዓቕሙ ዝተሓተ ምዃኑ የረድእ። “ከምኡ ይኹን እምበር፡ ወልፊ ናይ ምዃን ዕድል ኣለዎ። መናእሰይ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ክወስዱዎ ይርአ’ዩ። ‘ፋሽን’ እውን ኰይኑ ኣሎ። ንምንቕቓሕ እናበሉ መናእሰይ ይወስዱዎ ከም ዘለው ንሰምዕ ኢና” ብምባል ኣብ ስርሑ ዘጋጠሞ ምዃኑ ይጠቅስ። ‘ኦፒዮድስ’፡ ካብ ኮዴይን ክሳብ ሄሮይን ዝተባህለ ዕጸ-ፋርስ ዘካትት መድሃኒት እዩ። እዚኦም፡ ብትእዛዝ ሓኪም ዝወሃቡ ኦፒዮድ፡ ብቐንዱ ሕማም ወይ ቃንዛ ንምዕጋስ ክውሰዱ እንከለው፡ ኣብ ውሽጢ ኣእምሮና ምስ ዘለው ኦፒዮድ ዝቕበሉ ዋህዮታት ብምትእስሳር ቃንዛ ክስምዓና ዝገብር ነገር ብምዕጋት ናይ ደስታ ስምዒት ክሓድረና ይገብሩ። መብዛሕትኦም፡ ኣዝዩ ሓያልን ብሕጋዊ መገዲ ብትእዛዝ ሰብ ሞያ ሕክምና ጥራይ ዝርከቡን እዮም። እዚኦም፥ ኦፒዮይድ፡ ካብ ቀሊል ክሳብ ከቢድ ቃንዛ ንምዕጋስ ይውዕሉ። እዚኦም፡ ንከም ኣስፕሪን፣ ኣይቡፕሮፊንን (ibuprofen) ፓራሲታሞልን ዝበሉ መዐገሲታት ቃንዛ ዘይምለስ ሕማም ንምዕጋስ ንዝተወሰነ ዓይነታት ሕማም ጥራይ ክውሰዱ ይምከር። ትራማዶልን ካልኦት መድሃኒታት ኦፒዮይድን ቃንዛ ወይ ሕማም እዮም ዘዐግሱ። ግን ክኣ፡ ጐናዊ ሳዕቤናት ኣለዎም። እዞም መድሃኒታት፡ ኣብ ገለ ሰባት ብኢንግሊዘኛ ‘ዩፎሪያ’ ዝብሃል ደስ ደስ ዘብል ስምዒት ይፈጥሩ። ‘ታሪኻት ሆስፒታል ኣማኑኤል’ ዝብል 12 ሓጸርቲ ታሪኻት ዝሓዘ መጽሓፍ፡ መዐገሲ ቃንዛ ተባሂሉ ዝተዋህበ መድሃኒት ብኸመይ ወልፊ ከም ዝኸውን ዘርኢ ሓደ ታሪኽ ኣለዎ። ጸሓፊ እዚ መጽሓፍ ዶክተር ዮናስ፡ ሓደ ልበ-ወለዳዊ ዝዀነ ሓኪም ብመርፍእ ዝውሰድ መዐገሲ መድሃኒት ወልፊ ኰይኑዎ ህይወቱ ክጐሳቘል እንከሎ የርኢ። እዚ፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ብብዝሒ ዝወስዱዎ መዐገሲ ቃንዛ ‘ፔቲዲን’ ከም ዝዀነ ዝዛረብ እቲ በዓል ሞያ፡ ኣዝዩ ልዑል ቁጽጽር ዝግበረሉ መድሃኒት ምዃኑ ይዛረብ። “እዚ መድሃኒት፡ ዓይነት ትራማዶል ኰይኑ ብጥንካርኡ ልዕል ዝበለ ስለ ዝዀነ ቃንዛ ናይ ምዕጋስ ዓቕሙ’ውን ልዕል ዝበለ’ዩ። እዚ መድሃኒት ክውሰድ እንከሎ ኣብ ገለ ሰባት ዝፈጥሮ ናይ ደስታ ስምዒት ሓፍ ዝበለ ስለ ዝዀነ ልዑል ተኽእሎ ወልፊ ኣለዎ። ዋጋኡ ክቡር ስለ ዝዀነ ግን መናእሰይ ብቐሊሉ ዝረኽቡዎ ኣይኰነን\" ይብል። በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ውሽጢ ኣእምሮና ለውጥታት ስለ ዝፍጠሩ፡ ዝዀነ ደስታ ዘምጽእ ነገር ወልፊ ናይ ምዃን ዓቕሚ ከም ዘለዎ ዝዛረብ ዶክተር ዮናስ፡ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ እዚ ስምዒት ጠጠው ይብል እሞ፡ ሰብነትና ስሩዕ ስርሑ ንክሰርሕ እቶም ዝለመዶም ነገራት ምድላይ ከም ዝጅምር ይገልጽ። ይኹን’ምበር፡ ሰባት ነዚ ስምዒት ዝፈጥሮም ነገር ጠጠው ከብሉዎ እንከለው፡ “ምልክታት ‘ዊዝድረዋል’ የርእዩ። ንኣብነት ትራማዶል ዝወስዱ ዝነበሩ ሰባት ሃንደበት እንተዘይ ወሲዶም፡ ደስተኛ ዘይኰነ ('አንፕሊዛንት') ስምዒት ይስምዖም፤ ምቾት ዝኸልእ ኣካላዊ ለውጥታት የርእዩ። \"ርሃጽ፣ ሕርቃንን ጭንቀትን ዝበሉ ስነ ልቦናዊ ለውጥታት የርእዩ። ወልፊ ኣብዚ ደረጃ እንተበጺሑ፡ ሰብነት ይደልዮ’ዩ። በዚ ምኽንያት ክኣ ኣብ ዕንክሊል ኣይኣትው” ክብል የረድእ። ሽሙ ክርቋሕ ዘይደለየ ሓደ ፋርማሲስት መደብር ጥዕና መንግስቲ፡ ሰብ ሞያ ሕክምና ትራማዶልን ካልኦት መድሃኒታትን ምጥቃሞም ናይ ኣደባባይ ሚስጢር’ዩ ይብል። ትምህርቲ ሕክምና ጀሚራ ከም ዝነበረት እትዛረብ ሃናን’ውን፡ ከምኡ ዶኳትርን ነርሳትን ምስቲ ዘለዎም ጸቕጢ ትራማዶልን ካልኦት መድሃኒታት ኦፒዮድን ከም ዝወስዱ ይፈልጥ’የ ኢላ። ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት፡ ትራማዶል ብዘይ ትእዛዝ ሓኪም ከም ዝሽየጥ መጽናዕቲ ቤት ጽሕፈት መድሃኒት ሕቡራት መንግስታት የመልክት። እዚ ትራማዶል ዝተባህለ ጸረ ቓንዛ፡ ብብዝሒ ካብ ሃገራት ኤዥያ’ዩ ዝመጽእ። ማሊ፣ ቤኒን፣ ግብጽን ሞሮኮን፡ እዚ ወልፊ ዘትሕዝ መድሃኒት ብብዝሒ ዝኣትወለን ሃገራት እየን። ዋላ’ኳ እዞም ወልፊ ዘትሕዙ መድሃኒታት ኦፒዮድ ብብዝሒ ኣብ ኣፍሪቃ ዘይርከቡ እንተዀኑ፡ ትራማዶል ግን ካብ ቀረባ ግዜያት ንነጀው ብብዝሒ ኣብ ዕዳጋ ይርአ'ሎ። ክኢላ ፋርማሲ ዝኰነ መንእሰይ፡ ኣብቲ ሕጂ እቲ ኣገልግሎት ዝህበሉ ዘሎ ትካል ጥዕና ካብ ዝቑጸር ልዕሊ ሓደ ዓመት ከም ዝገበረን መብዛሕትኡ ግዜ ብዙሓት መናእሰይ ውሉፋት ትራማዶል ኰይኖም ከም ዝርኣየን ይዛረብ። መንእሰያት፡ እዚ መድሃኒት ምስ ካልኦት ወልፊ ዘትሕዙ ዕጻት (ጫት፣ ኣልኮል . . . ) ብሓባር ከም ዝወስዱዎ ይገልጽ። እቲ መድሃኒት፡ “ክቡር ኣይኰነን” ዝብል እቲ ፋርማሲስት፡ ኣብቲ ንሱ ዘገልግለሉ መደብር ጥዕና፡ 10 ፍረ ዝሕዝ ዕሹግ 12 ብር 50 ሳንቲንም እዩ ዝሸጦ። “ኣብ መዓልቲ ክልተ ጊዜ እዩ ዝፍቀድ። ሓንቲ ፍረ 50 ሚሊ ግራም እያ፤ ብሓደ ግዜ 100 ሚሊ ግራም ምውሳድ ይክኣል’ዩ። ግን ድማ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 200 ሚሊ ግራም ኣይፍቀድን። ገለ ሰባት ክሳብ ኣርባዕተ ፍረ እዮም ዝወስዱ፤ እቲ ዝገዝኡዎ ዕሹግ ኣብ ሓደ መዓልቲ ክውድኡዎ ይኽእሉ”። ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣጠቓቕማ ንሕክምናን ቃንዛ ንምዕጋስን ዝውሰዱ መድሃኒታት ብዙሕ ጸገም ከም ዘሎ በዓል መዚ መግብን መድሃኒትን ገሊጹ ነይሩ። ብፍላይ ካብ ቀረባ ዓመታት ንድሓር፡ ተመሃሮ ካልኣይ ብርኪ ዝዀኑ መናእሰይ የዘውትሩዎ ከም ዘለው ዝግለጽ ከቢድ ወልፊ የትሕዝ ኣሎ ዝብሃል ትራማዶል ዝተባህለ መዐገሲ መድሃኒት ዝምልከት ድማ ጥቡቕ ቁጽጽር ይግበር ከም ዘሎ ሓቢሩ። እቲ በዓል መዚ፡ ኣብ ዙርያ ኣጠቓቕማን ባህርን እቲ መድሃኒት ብዝተገብረ መጽናዕቲ፡ እቲ መድሃኒት ቃንዛ ካብ ምዕጋስ ሓሊፉ ብተደጋጋሚ እንተተወሲዱ ወልፊ ናይ ምትሓዝ ባህሪ ዘለዎ ምዃኑ ስለ ዝተፈልጠ ብጥቡቕ ቁጽጽር ክሽየጥ ኣለዎ ዝብል መምርሒ ኣሕሊፉ ኣሎ። ዳይሬክተር በዓል መዚ መግብን መድሃኒትን ኣስናቀች ኣለሙ፡ “እዚ መድሃኒት ካብ ዝርዝር ብዘይ ትእዛዝ ዝሽየጡ መድሃኒታት ክወጽእ መምርሒ ኣውጺእና ኢና፤ ካብኡ ሓሊፉ ኣብ መስርዕ ፍሉይ ቁጽጽር ዘድልዮም ኣፋውስ ኣትዩ’ዩ” ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ። ኢትዮጵያ፤ ናርኮቲክን ሳይኮትሮፒክን ዝበሃሉ ልዑል ቁጽጽር ዝግበረሎም ዓይነታት መድሃኒት ስምምዕ ፈሪማ ከም ዝተቐበለቶም እትገልጽ እታ ዳይሬክተር፡ ድሕሪ ሕጂ ናብ ውሽጢ ዓዲ ክኣቱ እንከሎ ኰነ ኣብ ውሽጢ ሃገር ክፈሪ እንከሎ ፍሉይ ፍቓድ ከም ዘድልዮ ሓቢራ። ትራማዶል፡ ቅድም ኢሉ ብዘይ ናይ ሓኪም ትእዛዝ ክሽየጥ ጸኒሑ’ዩ። ሕጂ ግን እዚ ከም ዝተረፈ እቲ ዘዘራረብናዮ ክኢላ ፋርማሲ ገሊጹ። መብዛሕትኦም ተጠቀምቲ፡ እዚ መድሃኒት ክጅምሩዎ እንከለው ብትእዛዝ ሓኪም ከም ዝዀነ ዝገልጽ እቲ ክኢላ፡ ድሕሪኡ ግን ወልፊ ስለ ዝሕዞም ብዘይ ትእዛዝ ከይዶም ምግዛእ ይጅምሩ ይብል። “ሕብሪ እቲ መድሃኒት ሰማያዊ ስለ ዝኰነ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ‘እታ ሰማያዊት መድሃኒት ሃበኒ’ እናበሉ ይመጽኡ”። ትካላት ጥዕናን ፋርማሲታትን እዞም መድሃኒታት ብቓልዕ ንከየቐምጡ ወይ ብምዕጻው ልዑል ቁጽጽር ንክግበረሎም መምርሒ ከም ዝወጽአ እትገልጽ ወይዘሮ ኣስናቀች፡ “ዓለምለኸ ቦርድ ቁጽጽር ናርኮቲክ ኣብ ዝርዝር ቁጽጽር ዘድልዮም መድሃኒታት ከየእተዎ ብምጽንሑ፡ ጐናዊ ሳዕቤኑ እናተፈልጠ ክሽየጥ ጸኒሑ’ዩ” ብምባል፡ ሕጂ ትራማዶልን ፔቲዲንን ቁጽጽር ንክግበረሎም ከም ዝተገብረ ኣብሪሃ። እዚ ሓድሽ መምርሒ ዘየተግበሩ ኣካላት ስጉምቲ ከም ዝውሰዶም እቱ በዓል መዚ ኣጠንቂቑ'ሎ። “ንኣብነት፡ ኣምጻእቲ ብዘይተፈቕደ ኣገባብ እቲ ምህርቲ ከዘዋውሩ እንተተረኺቦም፡ ስጉምቲ ክውሰዶም’ዩ፤ ብገበን’ውን ክሕተቱ’ዮም”። ኣብ ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ፡ ቤት ትምህርቲ ሚሊንየም፡ ክኢላ ስነ ልቦና ዝዀነ ኣቤል ወልደሚካኤል፡ ካብ ወልፊ መድሃኒታት ብሕክምናን ሞያዊ ሓገዝን ምሕዋይ ከም ዝክኣል ይዛረብ። መንእሰያት፡ ብብዝሒ ግዳያት ወልፊ ትራማዶል ከም ዝዀኑ ዝዛረብ እቲ በዓል ሞያ፡ ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ቃንዛ ንምዕጋስ ብብዝሒ ስለ ዝወስድኦ፡ ተቓላዕቲ እቲ ጸገም እየን ይብል። ዕድሚኣ ኣብ መወዳእታ 20ታት ዝርከብ፡ ሽማ ክጥቀስ ዘየፍቀደት መንእሰይ ሓያል ሕማም ርእሲ (ሚግሬን) ከም ዘለዋ ትዛረብ። ነቲ ቃንዛ ንምዕጋስ፡ ፓራሲታሞልን ካልኦትን ክትወስድ ጸኒሓ። እንተዀነ፡ ጨጎራኣ’ውን ስለ ዝሕማ መድሃኒት ክትቅይር ደልያ ናይ ሕክምና ሞያ ንዘለዎ መሓዝኣ ተማኽሮ። ንሱ፡ “ትራማዶል\/ፓራሲታሞል (Tramadol\/Paracetamol) ዝተባህለ መድሃኒት ጨጎራ ስለ ዘይትንክፍ ንዕኡ ውሰዲ ምስ በለኒ ጀሚረዮ። ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ግን፡ ቃንዛ ካብ ምዕጋስ ሓሊፉ ደስ ዝብል፣ ቅልል ዝበለ ዓይነት ስምዒት ክፈጥረለይ ጀሚሩ። ፍልይ ዝበለ ነገር ኣለዎ” ትብል። ናይዚ ምኽንያት እንታይ ከም ዝዀነ ከምዘይትፈልጥ እትዛረብ እዛ መንእሰይ፡ “እቲ ዝፈጥሮ ናይ ደስታ ስምዒት ወልፊ ከም ዘትሕዝ ኣይተረድኣንን ነይሩ” ብምባል ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ እቲ መድሃኒት ምውሳድ ጠጠው ንምባል ከም ዝተገደደት ሓቢራ። እዞም ታሪኻት፡ እዞም መድሃኒታት፡ ወልፊ ዝዀኑ እንተዀይኖም ስለምንታይ ይውሃቡ? ዝብል ሕቶ ከነልዕል ዝገብሩ'ዮም። ዶክተር ዮናስ፡ ሰባት፡ ካብ ሕማሞም ክድሕኑን ዘይክድሕኑን ይኽእሉ’ዮም፤ ግን ቃንዝኦም ምንካይ ቀንዲ ተግባር ሕክምና እዩ ይብል። መድሃኒታት መዐገሲ ቃንዛ ግን፡ ጐናዊ ሳዕቤን ስለ ዘለዎም ንስነ ምግባር ሕክምና ኣብ ሞንጐ ክቕርቅሩዎ ይስትውዓል። መምርሒ ሕክምና ቃንዛ ኢንትዮጵያ፡ መጀመርታ ቀለልቲ ዝዀኑ ጸረ ቃንዛ (ፓራሲታሞል፥ አስፕሪን፣ ኣይቦፕሮፊን) ክውሰዱ ይመክር። ካብኡ ሓሊፉ፡ ከም ትራማዶል፣ ፔቲዲን፣ ሞርፊን ዝበሉ ንከበድቲ ሕማማት ዝውሰዱ መድሃኒታት ደረጅኦም ሓልዮም ክውሃቡ ኣለዎም ይብል። “ቁሩብ ኣጸጋሚ ዝገብሮ፡ በየናይ ሸነኽ ንጋገ ዝብል’ዩ\" ዝብል ዶክተር ዮናስ፡ ቃንዛ ብልክዕ ጸቕጢ ደም ዝዕቀነሉ ኣገባብ ዝዕቀን ኣይኰነን ብምባል ይገልጽ። “ንኣብነት ሓደ ሰብ መርፍእ ክውጋእ እንከሎ የቐንዝወኒ’ዩ ክብል ይኽእል፤ ካልእ ድማ ብጥይት ተሃሪሙ ምንም ኣይኰነን ክብል ይኽእል። ስለዚ፡ ንኡሽቶ ቑስሊ ዘለዎ ይቕንዞ እየ ዘለኹ ክብል እንከሎ፡ ኣነ ነዚ ዲስሚስ ክገብሮ ኣይክእልን። ስነ ምግባራዊ ኣይኰነን። ስለዚ እዞም መድሃኒታት ምእዛዞም ኣይተርፍን\" ኢሉ። እቲ በዓል ሞያ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ዙርያ ኣጠቓቕማ እዞም ኣፋውስ ክልተ ዓይነት ጌጋ ኣስተውዒለ’የ ይብል። እቲ ሓደ፡ ግን ልዕሊ ዓቐን ምእዛዝ ኰይኑ፡ እቲ ካልኣይ እቶም መድሃኒታት ይተኣገዱ ምባል እዮም። በዚ ሓሳብ ዘይሰማማዕ ዶክተር ዮናስ፡ “እዚ ኣብ ቃንዛ ንዘለው ሰባት መድሃኒት ምኽልካል እዩ” ኢሉ። ብምኽንያት ትራማዶልን ካልኦት መድሃኒታት ኦፒዮድን፡ ወልፊ ንዝሓዞም ሰባት ዝወሃብ ፍወሳ፡ ሕክምና ወልፊ ('አዲክሽን ሳይካያትሪ') ይብሃል። እቲ ሕክምና፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ሆስፒታል ዘውዲቱ፣ ሆስፒታል ኣማኑኤልን ጳውሎስ ሆስፒታልን ከም ዝውሃብ ዶክተር ዮናስ ሓቢሩ። ካብኡ ሓሊፉ፡ ኣብ ካልኦት ማእከላት (ሪሃቢሊቴሽን ሴንተርስ)'ውን ከም ዝወሃብ ሰሚዕና ኣለና። መንእሰይ ዮናታን ሊዮን ብዝተፈላለዩ ወልፍታት ኣልኮላዊ መስተታት፣ ሽሻን ጫትን፡ ን20 ዓመታት ክሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ ብሕክምና ተሓጊዙ ዓርሱ ካብቶም ወልፍታት ተናጊፉ’ዩ። ካብዚ ብምብጋስ ድማ፡ ካልኦት ኣገልግሎት ዝረኽብሉ ማእከል ከፊቱ ይሰርሕ ኣሎ። እዚ‘ጉድ ላክ ሪሃብልተሽን ኤንድ ትሬንንግ ሴተንር’ ዝተባህለ ዮናታን ዝኸፈቶ ማእከል፡ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣገልግሎት ክህብ ድሕሪ ምጽናሕ ቅድሚ ሓደ ዓመት ሕጋዊ ፍቓድ ረኺቡ ተጣይሹ። ኣብዚ ማእኸል ካብ ወልፊ ካብ ሞንጐ ዝሓወዩ 237 ሰባት፡ ትራማዶል ሓዊሱ ካብ ወልፊ ጸረ ቃንዛ መድሃኒታት ዝተፈወሱ መናእሰይ ከም ዘለው ይዛረብ። ብፍላይ፡ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 50 ከኒና ትራማዶል ዝወስድ ዝነበረን በዚ ምኽንያት ሕማም ልቢ ዘማዕበለን ሓደ ውልቀሰብ፡ ኣብቲ ማእከል ሓገዝ ተገይርሉ ከም ዝድሓነ ዮናታን ገሊጹ። ካብ ኩሉ ዓይነት ወልፊ ምድሓን ከም ዝክኣል ኣነ ምስክር’የ ዝብል ዮናታን፡ ኣብቲ ማእኸል ብኵሉ ዓይነት ወልፊ ዝተጐድኡ ሰባት ንምሕጋዝ ይሰርሕ ከም ዘሎ ሓቢሩ። እቶም መድሃኒታት ከቢድ ወልፊ ናይ ምዃን ተኽእሎ ስለ ዘለዎም፡ ኣብ መሸጣ ፋርማሲታት ቁጽጽር ክግበር ከም ዘለዎ ዝገልጽ ዶክተር ዮናስ፡ እቲ መድሃኒት ብዘይኣገባብ ኣብ ጥቕሚ ንከይውዕል ቁጽጽር ካብ ምግባር ሓሊፉ ትምህርቲ ክወሃብ ኣለዎ ኢሉ ይኣምን። “ሰባት ሃንደበት እንተተኸልኪሎም፡ እቲ መድሃኒት ብኻልእ መገዲ ንምርካብ ክንቀሳቐሱ’ዮም። ዘይሕጋዊ መገዲታት ሙሉእ ንሙሉእ ምጥፋእ ድማ ኣይክኣልን። ስለዚ፡ ጐና ጐኒ ምምሃር፣ ተበጻሕነት ሕክምና ወልፊ ምርግጋጽን ግንዛበ መዕበዪ ስራሕትን ብምስራሕ ጽቡቕ ውጽኢት ምርኣይ ይክኣል እዩ”።","category":"ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cx7qp0p4qgwo"} {"headline":"ቻይና ክብረወሰን ዝሓዘ ቁጽሪ መልከፍቲ ኮቪድ ኣመዝጊባ","content":"ቻይና ኮሮናቫይረስ ንምውጋድ ተሪር ስጉምትታት እኳ እንተወሰደት፡ ለበዳ ኮቪድ-19 ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ዝለዓለ ቁጽሪ መዓልታዊ መልከፍቲ ኮቪድ ኣመዝጊባ ኣላ። ርእሰ ከተማ ቤጂንግን ደቡባዊ ማእከል ንግዲ ጉዋንዝሆን ሓዊሱ ሓያሎ ዓበይቲ ከተማታት ለበዳ ኮሮናቫይረስ የጋጥመን ኣሎ። ትማሊ ረቡዕ ዝተመዝገበ መልከፍቲ 31,527 ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝተመዝገበ ዝለዓለ ቁጽሪ 28 ሽሕ እዩ ነይሩ። እቲ ቁጽሪ ን1.4 ቢልዮን ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ንእሽቶ'ኳ እንተኾነ፡ እቲ ለበዳ ካብ ዝጅምር ብወግዒ ልዕሊ 5,200 ሰባት ሞይቶም እዮም። እዚ ድማ ኣብ ቻይና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሚልዮን ሰለስተ ሞት ይኸውን ኣሎ። ኣብ ኣሜሪካ ካብ ሓደ ሚልዮን 3,000፣ ኣብ ብሪጣንያ ድማ ካብ ሓደ ሚልዮን 2,400 ከምዝሞቱ ይግለጽ። ቻይና ዜሮ ኮቪድ ብዝብል ዝተግበረቶ ፖሊሲ ህይወት ሰባት ከምዘድሓነ ንጹር’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ቁጠባን ህይወት ተራ ህዝብን ግን ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ። እታ ሃገር ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ንገለ ካብቲ ገደባት ቁሩብ ኣዝሊቓቶ ነይራ። ንናይ ቀረባ ርክብ ዘለዎም ሰባት ኣብ መንግስታዊ መሳለጥያ ዝግበር ምውሻብ ካብ 7 መዓልታት ናብ ሓሙሽተ መዓልትን ኣብ ገዛ ድማ ናብ ሰለስተ መዓልቲ ቀኒሳቶ። ካልኣይ ደረጃ ርክባት ምምዝጋብ ደው ዘበለት ክኸውን እንከሎ እዚ ድማ ብዙሓት ሰባት ምውሻብ ከይግደዱ ኣኽኢሉ። ሰበስልጣን ብተወሳኺ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት እታ ዝዓበየት ከተማ ሻንጋይ ዝተጻወረቶ ዓይነት ሓፈሻዊ ዕጽዋ ከይትግበር ጻዕሪ ገይሮም እዮም። ኣብ ቤጂንግ ዝተሓደሰ ወሰኽ ቁጽሪ መልከፍቲ፡ ከምኡ’ውን ድሕሪ ኣዋርሕ ንመጀመርታ ግዜ ብኮሮናቫይረስ ሞት ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ግን፡ ሰበስልጣን ድሮ ኣብ ሓያሎ ኣውራጃታት ገለ ገደባት ተግባራዊ ብምግባር፡ ድኳናት፡ ኣብያተ ትምህርትን ቤት መግብታትን ተዓጽዮም ኣለዉ። ማእከላይ ከተማ ዠንግዝሆው እውን ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ን6 ሚልዮን ነበርታ ተሪር ዕጽዋ ክትእውጅ ምዃና ሰበስልጣን እታ ሃገር ኣፍሊጦም። እዚ ድማ ኣብ ፎክስኮን ዝተበሃለ ሓደ ሰፊሕ ኢንዱስትርያዊ ትካል ኣፍራዪ ኣይፎን ዝተኻየደ ዓመጽ ተቓውሞታት ስዒቡ'ዩ። እቲ ትካል ኣብ ስርዓታት ክፍሊት \"ቴክኒካዊ ጌጋ\" ብምፍጣሩ ይቕሬታ ​​ሓቲቱ’ሎ። ካልኦት ዛንታታት ስቓይን ተስፋ ምቑራጽን ኣብ ኢንተርነት ተዘርጊሖም ቂምታ ህዝቢ ኣበጊሶም እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ዠንግዝሆው ሓንቲ ህጻን ክግበረላ ዝግባእ ሕክምናዊ ክንክን ብሰንኪ እገዳታት ኮቪድ ስለዝተደናጐየ ከምዝሞተት ዝገልጽ ጸብጻብ ዓቢ ቁጥዐ ኣስዒቡ እዩ። ቻይና ገና መስርሕ ምጥፋእ ኮቪድ ብጃምላዊ መርመራን ሕግታት ዕጽዋን ትከታተል ዘላ ናይ መወዳእታ ዓባይ ኢኮኖሚ ኮይና። ኣብ 31 ኣውራጃታት ቫይረስ ኮሮና ይምዝገብ ኣሎ። ሓደ ክፋል ናይቲ ምኽንያት፡ ደረጃ ክታበት ካብ ካልኦት ምዕቡላት ሃገራት ዝወሓደ ስለዝኾነን፡ ካብቶም ልዕሊ 80 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ፍርቂ ጥራይ ቀዳማይ ክታበት ጥራይ ስለዝተኸተቡን እዩ። ቻይና፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ትሰርሖ ክታበት ውጽኢታዊ ከምዘይኮነ መርትዖታት እኳ እንተሃለወ፡ ክታበት ካብ ወጻኢ ክተእቱ ግን ኣይፈቐደትን። ፕረዚደንት ሺ ጂንፒንግ፡ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ብዙሕ ኣረጋውያን ህዝቢ ንምሕላው ጽኑዕ ምግታእ ከምዘድሊ ይምጉት። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ፕሮፌሰር ልምዓት ቻይና ዊልያም ሃርስት ኣብ ቀረባ እዋን ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ \"ዕጽዋታት ለበዳ ኮቪድ ከይላባዕ ይከላኸል እዩ\" ኢሉ ነይሩ። \"ግን ንምእማኑ ዘጸግም ጽኑዕ ማሕበራዊ ምቁጽጻር'ውን የስዕብ’ዩ።\"","category":"ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c51kgkrlg5vo"} {"headline":"ብሪቲሽ ፔትሮልዩም ነዳዲ ኣብ ዝዕድነሉ ቦታ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ሕማም መንሽሮ","content":"እቶም ኣብ ጥቓ እቲ መርዛም ትክን ጋዝ ዝነደሉ ቦታታት ዝነብሩ ማሕበረሰብ፡ ሉከምያ ብዝተባሃለ ናይ ደም ካንሰር ክጥቅዑ ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ ቢቢሲ ዓረብኛ ኣብ ዝገበሮ መርመራ ኣፍሊጡ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ናይ ዒራቕ ናይ ነዳዲ መዓደኒ ቦታ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ንመኽሰብ ቀዳምነት ከም ዝህብ \"ዘመናዊ ናይ መስዋእቲ ቦታ\" ገይሩ ከም ዝርእዮ ገሊጹ። ኣብ መስርሕ ኩዕታ ነዳዲ ብቐጻሊ ዝቃጸል ርስሓት በካሊ ጋዝ፡ ሕማም መንሽሮ ከምዘኸትል ሊቃውንቲ ጥዕና የረድኡ። ኣብቲ ኸባቢ ከም ብሪቲሽ ፐትሮልዩምን (BP) ኤኒ (Eni) ዝተባህለ ናይ ጥልያን ዓለም ለኻዊ ኩባንያ ነዳድን ጋዝን እየን ኣብ ዕደናዊ ንጥፈታት ዝዓያ ዘለዋ። ኣብ ወሰናስን እታ ብደቡባዊ ምብራቕ ዒራቕ እትርከብ ከተማ ባስራ ዓቢ ናይ ነዳዲ ዕደና ዳህሳስ ዝግበረሉ ቦታታት ኣሎ። ካብዚ መዐደኒ ነቑጣታት ዝወጽእ ጋዛ ጸሊም ድሙቕ ትክን ከም ካርቦን ዳይኦክሳይድን ሚተይን ዝኣመሰለ ብከላ ስለዘፈጥር ንጥዕና ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። ብመሰረት ሕጊ ጥዕና ዒራቕ፡ ናይ ዕደና ነዳዲ ጋዝ ሰባት ካብ ዝነብርሉ ከባቢ፡ ልዕሊ ሽዱሽተ ማይል ርሕቀት ክህልዎ እዩ ዝግባእ። ይኹን እምበር ኣብዚ እዋን እዚ ሰባት ካብ ዝነብርሉ ኣፍደገ ኣባይቲ ክልተ ማይል ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ናይ ነዳዲ ጋዝ ክነድድ ተዓዚብና። ቢቢሲ ዓረብኛ ኣብ ዝዘርገሖ ጸብጻብ፡ ካብ 2015 ክሳብ 2018 ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ከባቢ ባስራ ኣብ ዝርከብ ቦታታት ኣብ ዒራቕ ሕማም መንሽሮ ብ20% ከምዝወሰኸ የርኢ። መንግስቲ ዒራቕ ከኣ እቲ ካብ ዕደና ነዳዲ ዝምንጩ ጋዝን ትክን ንምንቁልቋል ጥዕና እቲ ህዝቢ ጽልዋታት ክህልዎ ከምዝኽእል ይግንዘብ ። ከም ኣካል ናይዚ መርመራ፡ ቢቢሲ፡ ኣብ’ቶም ነቲ ሕማም ዝተቓልዑ ሕብረተሰብ ዘካየዶ ናይ ፈለማ ፈተነ ብከላ፡ ኣብቲ ቦታ ልዑል መጠን መንሽሮ ከስዕብ ዝኽእል ኬሚካላት ከምእተረኽበ ሓቢሩ። ብሓገዝ ሳተላይት ኣብ ዝተወስደ ስእሊ፡ እቲ ኣብ ባስራ ዝርከብ ዝዓበየ መዐደኒ ነዳዲ ሩማኢላ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ካብ ዝርከቡ ካልእ ቦታታት ንላዕሊ፡ ብርቱዕ ጋዝ ከምዘቃጽል ተረዲእና። ኣብቲ ብመንግስቲ ዒራቕ ዝውነን ናይ ዕደና ትካል፡ ብሪቲሽ ፐትሮልዩም ቀንዲ ኮንትራክተር እዩ ። ደቂ እቲ ከባቢ ነቲ ኣብ ጥቓ ከተማ ሰሜን ሩማይላ ዝርከብ መዓደኒ ቦታ፡ ብዙሓት መንእሰያት ብሰንኪ እቲ መደበራት ዕደና እዩ መጺኡና ዝኸውን ኢሎም ብዝጥርጥሩዎ ናይ ደም መንሽሮ (ሉከምያ) ስለዝሞቱ፡ ካብቲ ክውንነት ብምብጋስ ነቲ ቦታ \"መቓብር\" ኢሎም እዮም ዝጽውዑዎ። ኣብቲ ከባቢ ብዛዕባ ኣከባብያዊ ብከላ ዘጽንዕ፡ ፕሮፈሰር ሹክሪ ኣል ሓሰን፡ ኣብዚ ዘሎ መንሽሮ ኣዝዩ ሓደገኛ ብምዃኑ፡ \"ልክዕ ከም ጉንፋዕ\" እዩ ዝረአ ይብል። ኣብ 2021፡ ካብ ሰሜን ሩማይላ ዝመጽአ ካብ ሕማም ሉኪምያ ምስ ዝደሓነ  ወዲ 19 ዓመት መንእሰይ  ዓሊ ሑሴን ጁልሙድ ተራኺብና። ቢቢሲ፡ ኣብ ሩማይላ ቪድዮ ክይቀርጽ ስለዝተኸልከለ ዓሊ ንህይወቱ ባዕሉ እዩ ሰኒድዎ። ዓሊ፡ ነቲ ዝመሃረሉ መባእታ ቤት ትምህርቲ ሰማያት ትኪ ዕደና ንድሕሪኡ ገይሩ  ዝሰኣሎ ኣብ ሞባይሉ ዝተቐርጸ ቪድዮታት ኣርእዩና። ወዲ 14 ዓመት እንከሎ እዩ ሕክምናዊ ክንክን ክገብር ትምህርቱ ከቋርጽ ተገዲዱ። ንሓያሎ ዓመታት ኬሞተራፒ [ንሕሙማት መንሽሮ ዝወሃብ ክብድ ዝበለ ሕክምና] ድሕሪ ምግባሩ፡ ሓደ መዓልቲ ናብ ሆስፒታል ክኸይድ እንከሎ ንኣቦኡ ፡ \"ኣነ ኣኺሉኒ እዩ። ንአደይ ደሓን ኩኒ በለለይ ኢኻ” ኢሉዎ። ኣቦኡ በቲ ዝኽሪ ካብ አዒንቱ ንብዓት ጸሪጉ። ኩነታት ጥዕና ዓሊ ሕጂ ይመሓየሽ እዩ ዘሎ። ንሱ ኣብ ዕደና እቲ ነዳዲ ቀንዲ ኮንትራክተር ንዝኾነ ትካል ብሪቲሽ ፔትሮልዩም ካሕሳ ንኽህቦ እኳ እንተሓተተ ክሳብ ሕጂ ግን ምላሽ ኣይረኸበን። ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዝርከባ ኣቝሻት ዝነብሩ ብዙሓት ቈልዑ ብሕማም መንሽሮ  ድሕሪ ምጥቀዖም ክድሕኑ ኣይከኣሉን። ፋጢማ ፋላህ ናጀም ኣብቲ ዓሊ ዝነብረሉ ከባቢ ምስ ወለዳን ሽዱሽተ ኣሕዋታን ኣብ ጥቓ መዐደኒ ነዳዲ ዙቢር ዝርከብ መገዲ ኣስታት 40 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እያ እትነብር ነይራ። ኣብቲ ቦታ፡ እቲ ቀንዲ ኮንትራክተር ዕደና ዙቤር: ኤኒ ዝበሃል ናይ ጥልያን ዝዓበየ ኩባንያ ነዳዲ እዩ። ፋጡማ ጓል 11 ዓመት እንከላ፡ “ኣክዩት ሊምፎብላስቲክ ሉኮምያ” ዝብሃል ናይ ደምን ዓጽምን መንሽሮ ከም ዘለዋ ተፈልጠ። ብቤንዚን ዝተበከላ ጋዛትን ዕደና ነዳድን ንከምኡ ዝኣመሰለ ሕማም ከምዘቃልዕ ተጸኒዑ እዩ። ዶር ሳልሕ ነታ ጓል 13 ዓመት ፋጥማ ኣብ እዋን ሕማማ ኣጸናኒዑዋ እዩ። ካብ ኣፍደገ ቤት ስድርኣ ኣስታት 1.6 ኪሎ ሜተር ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ናይ ዕደና ነዳዲ ጋዝ ብዘይምቁራጽ ክባራዕ ርኢና ኢና። ፋጥማ ኣብ ሕክምና እንከላ ንገዝኣ ዝኸበቦ ናይ \"ሃልሃልታ ነበልባል\" ስኢላ። ነቲ ሃልሃልታ ምሸት ምሸት ክትርእዮም ባህ ይብላ ከም ዝነበረ ነጊራትና። እቲ ብሕማም ክትጥቃዕ ዝርእያ ኣቦኣ ግን ክጠፍእ ብዘይክእል ሃልሃልታ ሓዊ ትቃጸል ከምዘላ እዩ ዝስመዖ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሓካይም፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ናይ ኣንጕዕ ምቕያር ሕክምና ንክትገብር ወዲኦሙላ ነይሮም። ግን ኣብቲ እዋን ኣዝያ ስለዝደኸመት ንወጻኢ ክትገይሽ ኣይከኣለትን። ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ከኣ ኣብ 13 ዓመታ ብሞት ተፈልያ። ጸብጻብ ኣገልግሎት ጥዕና ዒራቕ ከምዘመልክቶ መንግስቲ ብዛዕባ ናይ ዞባታት ናይ ጥዕና ጉዳያት ኣፍልጦ ከም ዘለዎ እዩ ዝሕብር ። እንተዀነ ግን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ፡ ሰራሕተኛታቱ ብሰንኪ ብከላ ብዛዕባ ዝመጽእ ጥዕናዊ ጕድኣት ንከይዛረቡ ምእጋዱ፡ እቲ ብቢቢሲ ዓረብኛ  እተራእየ ምስጢራዊ ትእዛዝ የረድእ። ኣብ ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ ራፖርተር ሰብኣዊ መሰላትን ኣከባብን ዴቪድ ቦይድ \"እቶም ኣብ ጥቓ ዕደና ነዳዲ ዝግበረሉ ቦታታት ዝነብሩ ሰባት ግዳያት ናይ መንግስትን ናይ ንግድ ሽርክናን እዮም። ለውጢ ንኸየምጽኡ ከኣ ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት ፖለቲካዊ ስልጣን የብሎምን\" ኢሉ። ዓሊ ሑሴን ከኣ \"ኣብዚ ኣብ ሩማይላ ከይስጎግ ስለዝፈርሕ ዝኾነ ሰብ ክዛረብ ኣይክእልን እዩ” ክብል ምስክርነቱ ሂቡ። ክሳዕ ሕጂ፡ ተመራመርቲ ጥዕና፡ ጽፉፍ መርመራታት ኣየር ምእንቲ ከይገብሩ  ናብቲ ዕደና ነዳዲ ዝካየደሉ ቦታታት ንኸይኣትዉ ተኸልኪሎም እዮም። ኣገልግሎት ዜና ቢቢሲ ዓረብኛ ምስ ናይ ብከላ ኣየርን ጥዕናን ክኢላታት ብምትሕብባር፡ እቲ ብከላ ኣብ ነበርቲ ዝፈጥሮ ጸገም ንምጽናዕ ፈላሚ ዘይሻራዊ ናይ ብከላ ክትትል ኣካይዱ። ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን፡ ብጋዝ ዝምንጭዉ ንመንሽሮ ዘቃልዑ ኬሚካላት መርመራ ገይሩ። እቲ ኣብ ሓሙሽተ ማሕበረሰባት እተገብረ ናይ ብከላ ኣየር መርመራታት፡ ምስ ሕማም ሉኪሚያን ካልእ ናይ ደም ጸገማትን ዝተሓሓዝ መጠን ቤንዚን እንተ ወሓደ ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት፡ ካብቲ ሃገራዊ መጠን ንላዕሊ ከም ዝበጽሐን ኣብ ገሊኡ ከኣ ከምዝሓለፈን እዩ ዝሕብር። ካብ 52 ህጻናት ዝኣከብናዮ ናይ ሽንቲ ቅምሶታት፡ እቲ 70% ክብ ዝበለ 2-ናፍቶል ዝበሃል ሕማም መንሽሮ ዘምጽእ ባእታ ተረኺቡዎ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮሎምብያ ከም ፕሮፌሰር መንሽሮ ቊልዑ ኰይኑ ዝዓዪ ዶክተር ማኑዋ ኦርጁዋ-ግሪም ፡ \"እቶም ቈልዑ ኣብ ዝለዓለ ስግኣት ጥዕና ስለዘለው ኩነታት ጥዕንኦም ብጥንቃቐ ክረአ ኣለዎ” ኢሉ። ቢቢሲ ነቲ ርኽበታት ንሚኒስተር ነዳዲ ዒራቕ ኢሕሳን ዓብዱል ጃባር እስማዒል ኣቕሪቡሉ ኣሎ። እቲ ምኒስተር ከኣ  \"ንኹለን ኣብ ዕደና ነዳዲ ዝዓያ ናይ ወጻኢ ኩባንያታት፡ ኣህጉራዊ መለክዒታት ክኽተላን ክትግብራን መምርሒ ሂብናየን ኢና\" ኢሉ ። ቢቢሲ ንብሪቲሽ ፔትሮልዩምን ኢኒ ናይ ጥልያን ዝዓበየ ኩባንያን ምላሽ ናይቲ ዘካየዶ መርመራ ክወሃቦ ሓቲቱ ኣሎ። ኢኒ፡ እቲ ንሱ ዘካይዶ ናይ ዕደና ንጥፈታት፡ ንዝኾነ ዒራቓዊ ዜጋ ኣብ ናይ ጥዕና ሓደጋ ኣየውድቕን እዩ ብምባል ነቲ ክሲ ኣትሪሩ ነጺጉዎ ኣሎ። ብሪቲሽ ፔትሮልዩም ግን \"እቲ ብቢቢሲ እተላዕለ ጕዳያት ኣመና የተሓሳስበና እዩ ነቲ ጉዳይ ከኣ ቀልጢፍና ክንምርምሮ ኢና” ዝብል ምላሽ ሂቡ።","category":"ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c9x1x2wzdrwo"} {"headline":"ዩጋንዳ ባህላዊ ሓካይም ኢቦላ ከይሕክሙ ኣጊዳ","content":"ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዩዌሪ ሙሰቨኒ ኣብቲ ብቴሌቪዥን ዘስምዖ መደረ፡ ባህላዊ ሓካይም ብኢቦላ ንዝተለኸፉ ሰባት ምሕካም ደው ከብሉ መምርሒ ሂቡ። ሙሰቨኒ፡ ሰበስልጣን ጸጥታ ብቫይረስ ኢቦላ ከምዝተለኸፉ ዝተጠርጠሩ ሰባት ናብ ውሸባ ምኻድ እንተኣቢዮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከእትዉ'ውን ተወሳኺ መምርሒ ኣውጺኡ’ሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ ርእሰ ከተማ ካምፓላ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዘጋጠመ ሞት ሓደ ወዲ 45 ዓመት ሰብኣይ ስዒቡ እዩ። እቲ ውልቀሰብ ብጉጅለታት ጥዕና ንቫይረስ ኢቦላ ዝተቓልዐ እዩ ተባሂሉ ተመዝጊቡ ዝነበረ ክከውን ከሎ፡ ካብታ ማእከል እቲ ለበዳ ዝኾነት ኣውራጃ ሙበንደ እትርከብ ቁሸት ሃዲሙ ዝመጽአ ነይሩ። ናብ ሆስፒታል ካምፓላ ቅድሚ ምምጽኡ ኣብ ካልእ ቦታ ብባህላዊ ሓኪም ሕክምና ክረክብ ከምዝፈተነ ሰብመዚ ይገልጹ። ገለ ካብ ኣባላት ስድራቤት’ቲ ሰብኣይ ኣብ ውሸባ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ሃዲሞም ተሓቢኦም ይርከቡ። ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዩዌሪ ሙሰቨኒ፡ እቶም ሰባት ናብ ትካላት ጥዕና ሪፖርት ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ’ሎ። ሙሰቨኒ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ካምፓላ ብኢቦላ ዝተለኸፉ ሰባት ከምዘየለዉ እኳ እንተገለጸ፡ ሰራሕተኛታት ጥዕና ነቲ ለበዳ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘእትውዎ ኣረጋጊፆም ህዝቢ ንቕሓት ክቕፅል ኣጠንቂቑ። ኡጋንዳ ለበዳ ሕማም ኢቦላ ሱዳን ካብ እትረጋገጽ ዳርጋ ሓደ ወርሒ ኣቑጺሩ ኣሎ፡ ሕጂ ድማ ናብ ሓሙሽተ ወረዳታት ተዘርጊሑ ኣሎ። ኣብ ዩጋንዳ ብሰንኪ ለበዳ ኢቦላ ክሳብ ሕጂ 19 ሰባት ክሞቱ ከለዉ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ 54 ሰባት ተረኺቦም እዮም። ሓሙሽተ ሰራሕተኛታት ሕክምና ዝርከብዎም ኣስታት 20 ድማ ከምዝሓውዩ ይፍለጥ። ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ቫይረስ ናብ ሓሙሽተ ወረዳታት እታ ሃገር ተላቢዑ ይርከብ። ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል ኣፍሪቃ፡ ብስድራቤታዊ መስመር ወለዶ ወይ ብልምምድ ንወለዶታት ዝመሓላለፍ ባህላዊ ሕክምና፡ ብሰፊሑ ልሙድ እዩ። ኣብ እዋን ለበዳ ቀተልቲ ተላባዕቲ ሕማማት ግን፡ ጠንቂ ተቓላዕነት ምዃኖም ተረጋጊጹ’ዩ። ኣብ ግንቦት 2014፡ ኣብ ሴራሊዮን ናይ መጀመርታ ብኢቦላ ዝተለኽፈ ሰብ ተመዝጊቡ። ነዚ ስዒቡ ዝተኻየዱ መርመራታት፡ ኣብ ምብራቓዊ ኣውራጃ ከነማ፡ \"ፍልጥቲን ብብዙሓት ትኽበርን\" ተባሂላ ናብ ትፍለጥ ባህላዊ ሓኪም ኣምሪሑ። እታ ባህላዊ ሓኪም፡ ካብ ስግር ዶብ ጊኒ ዝመጹ ሕሙማት ሓኪማ ነይራ። ነዊሕ ከይጸንሐት፡ ንሳ ብዕላ ሓሚማ ሞይታ። ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብራ ድማ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ተረኺቦም ነይሮም። ውድብ ጥዕና ዓለም ከም ዝጸብጸቦ፡ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ብሰንኪ ኢቦላ ዘጋጠመ ሞት ኣስታት 365 ሰባት ምስቲ ቀብሪ ዝተኣሳሰር ከምዝነበረ ሓቢሮም። ድሒሩ ኣብ 2018፡ ኣብ ምብራቓዊ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ለበዳ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ ‘ትራዲ-ሞደርን’ ተባሂሎም ዝጽውዑ፡ ዝተሓዋወሱ ሳይንሳዊን ተኽላውን መድሓኒታት ዝህቡ ክሊኒካት፡ ቀንዲ ቦታታት ረኽሲ ምዃኖም ብቕልጡፍ ተለልዮም። ኣብቶም ክሊኒካት ዝሰርሑ ሰባት፡ ወግዓዊ ትምህርቲ ዘይረኸቡ፡ ከምኡ’ውን መከላኸሊ መሳርሒ ዘይብሎም ነይሮም። ስርዓተ ጥዕና ኡጋንዳ ኣዝዩ ዝማዕበለ’ዩ። እዚ ሕጂ ዘጋጠመ ለበዳ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክኣቱ ከም ዝኽእል ድማ ሰበስልጣን ጥዕና እታ ሃገር ምትእምማን ኣለዎም። ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ዞባዊ ዋዕላ ሚኒስተራት ዝተኣከቡ ክኢላታት ግን ኩሉ ለበዳ ዝተፈላለየ ብድሆታት ስለዘጋጥሞ ተወሳኺ ንቕሓት ክገብሩ ኣተሓሳሲቦም። ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፉ ሚኒስተራት ጥዕና ኣፍሪቃ፡ ነቲ ሕጂ ዘሎ ለበዳ ከምኡ እውን ካልኦት ኣብታ ኣህጉር ዘጋጥሙ ለበዳታት ምድላውን ምላሽን ዝከታተል ናይ ኣፍሪቃ ናይ ኢቦላ መተሓባበሪ ሓይሊ ዕማም ከጣየሽ ተላብዮም ኣለዉ። ግዝያዊ ዳይረክተር ማእከላት ምቁጽጻር ሕማማት ኣፍሪቃ ኣቶ ኣሕመድ ኦግዌል፡ “እዚ ኣብዚ ኣብ ኣፍሪቃን ብፍላይ ድማ ኣብዚ ኣብ ኡጋንዳ ዘጋጠመ ናይ መጀመርታ ለበዳ ኣይኮነን” ይብል። ኣፍሪቃ፡ ኣህጉራዊ ሓገዝ ምሕታት ደው ከተብል ከምዘለዋ ይገልጽ። ኣፍሪቃ፡ ብገዛእ ርእሳ ክትሰርሕ እምበር ንበይና ክትሰርሕ ኣለዋ ማለት ከምዘይኮነ ይሕብር። ኣብዚ ሕጂ እዋን ክልተ ዓይነት ክታበታት ኣብ ምስ ሕሙማት ኢቦላ ርክብ ዝነበሮም ንእሽተይ ጉጅለ ሰባት ፈተነ ክግበር መደብ ተታሒዙ ኣሎ። ሲዲሲ ኣፍሪቃ፡ እታ ኣህጉር ምስ 11 ዝተፈላለዩ ለበዳታት ትቃለስ ከምዘላ ይገልጽ። ንሳቶም ድማ በዲዶ ህበይ፣ ኮሌራ፣ ውሕጅ፣ ኢንፍሉዌንዛ፣ ላሳ ፊቨር፣ ዕንፍሩር፣ ሄፓታይተስ ኢ ከምኡ’ውን ክሪሚያ - ኮንጎ ሄሞራጂክ ፊቨር እዮም።","category":"ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72nry5vnngo"} {"headline":"ዩጋንዳ፡ ሽዱሽተ ህጻናት ሓደ ስድራ ብኢቦላ ተለኺፎም","content":"ኣብ ካምፓላ ርእሰ ከተማ ዩጋንዳ፡ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ዝዀኑ ሽድሽተ ህጻናት ብኢቦላ ከም ዝተለኽፉ ሰብመዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም። ዶክተራት እታ ሃገር ኣብ ካምፓላ ይላባዕ ንዘሎ ቫይረስ ንምግታእ፡ ተሪር ስጕምቲ ክውሰድ ንሰሙናት ክጽውዑ ጸኒሖም’ዮም። ብመሰረት ሓበሬታ ሰብመዚ ጥዕና እታ ሃገር፡ ሓደ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፈ ዘመድ ካብ ካልእ ከባቢ መጺኡ ምስታ ስድራ ድሕሪ ምጽባሩ እዩ፡ እቶም ህጻናት ብቫይረስ ኢቦላ ተለኺፎም። እዚ ለበዳ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ኣብታ ሃገር ካብ ዝርአ ንደሓር፡ ሚኒስተር ጥዕና ዩጋንዳ፡ 109 ሰባት ብቫይረስ ኢቦላ ከም ዝተለኸፉን 30 ከም ዝሞቱን ኣፍሊጡ። ካብዞም ዝሞቱ፡ እቶም 15 ካብ ካምፓላ እዮም። ቫይረስ ኢቦላ ህዝቢ ኣብ ዝእከበሎም ከባቢታት ብቕልጡፍ ዝላባዕ ኰይኑ፡ እዚ  ‘ሱዳን ስትረይን’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓይነት ቫይረስ ዛጊድ ክታበት ኣይተረኸቦን። ኣብዚ ወርሒ፡ ማእከል እዚ ለበዳ ዝዀና ወረዳታት ሙበንድን ካሳንዳን፡ ካብ ካልኦት ከባብታት ተነጺለን ክፀንሓ ተገይሩ ነይሩ። ፕረዝደንት ዩጋንዳ ዩዌሪ ሙሰቬኒ፡ ለበዳ እቲ ቫይረስ ንምግታእ ካብ ሰብሞያ ጥዕና ንዝወሃብ ቅደመ መጠንቀቕታት ዝምልከት፡ ስጕምቲ ኣብ ምውሳድ ልኡም ብምዃኑ፡ ገለ ሰባት ሻቕሎቶም ይገልጹ። ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ዶክተር ጄን ሩት ኣሴንግ፡ ህዝቢ ብብዝሒ ኣብ ዝንቀሳቐሰለን ከተማታት፡ ለበዳ እቲ ቫይረስ ከም ዘስግኣ ገሊጻ። ናይቶም ኣብ ካምፓላ በዚ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሽድሽተ ህጻናት ስምን ዕድመን፡ መንነቶም ንምዕቃብ ኣይተገለፀን። እንተዀነ እዞም ህጻናት ዝመሃርሉ ቤት-ትምህርቲ ከም ዘይተዓፀወ ተፈሊጡ ኣሎ። ዶክተር ኣሴንግ ከም ዝበለቶ፡ ካብቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን በዚ ቫይረስ ዝሞቱ፡ እቶም ሽድሽተ በቲ ቫይረስ ንዝተለኽፉ ሰባት ዝኣልዩ ዝነበሩ ሰብሞያ ጥዕና እዮም። ቫይረስ ኢቦላ ኣብታ ሕመረት ቁጠባ እታ ሃገር ዝዀነት ካምፓላ ብፍጥነት እንተ ተላቢዑ፡ ናብ ካልኦት ሃገራት ናይ ምልባዕ ዕድሉ ዝለዓለ እዩ።","category":"ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/czk1n5r4x48o"} {"headline":"ንዓይንና ዝጎድኡን ናይ ምርኣይ ዓቕምና ዘድኽሙን ኣርባዕተ ምኽንያታት","content":"ቃንዛ ዘይምህላዉ ንውሕስነት ጥዕና ዘረጋግፅ ኣይኮነን ይብሃል። ኣብ ፍጹም ጥዕና ከም ዘለኻ እናሓሰብካ ከለኻ ሃንደበት ኣብ ሓደ ክፍሊ ኣካላትካ ሱር ዝሰደደ ሕማም ከም ዘለካ ምፍላጥካ ኣዝዩ ከቢድ ስንባደ ዝፈጥር ኩነት’ዩ። ቅድሚ 23 ዓመታት ስራሕ ዝጀመረ ናይ ዓይኒ ሓኪም ዶክተር ዮናስ ጥላሁን ከምዚኦም ዝበሉ ክስተታት ከምዝረኣየ ይዛረብ። \"ገለ ሕሙማት 'ሃንደበት ንግሆ ምስ ተበራበርኩ ነታ ሓንቲ ዓይነይ እናሓሰኽዋ እታ ሓንቲ ጠፊኣ' ይብሉ\" ክብል ሓሓሊፉ ብዛዕባ ዘጓነፎ የረድእ። ዓይኒ ሃንደበት ክጠፍእ ይኽእልዶ? ናይዚ ሕቶ መልሲ ቅድሚ ምሃብና፡ ብዛዕባ ንዓይንና ዝሃስዩን ዓቕሚ ምርኣይና ዘጉድሉን ጠንቅታት ክነልዕል። ጠንቅታት ጉድኣት ዓይኒ ብዙሓት እዮም። ካብቶም ብዙሓት ምኽንያታት ግን ነቶም ዶ\/ር ዮናስ ጥላሁን ዝጠቕሶም ኣርባዕተ ምኽንያታት ጥራይ ክንርእይ። ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኣካላትና ዘጋጥም ናይ ጥዕና ጸገማት ንዓይኒ ናይ ምጉዳእ ተኽእሎ ከምዘለዎ ዶክተር ዮናስ ይገልጽ። ከም ሕማም ሽኮርን ልዑል ጸቕጢ ደምን ዝኣመሰሉ ሕማማት ብቐጥታ ንጥዕና ዓይኒ ዝሃስዩን ናብ ዕውርነት ዘብጽሑን ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም። ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣመሪካ [‘ሲዲሲ’] ከም ዝሕብሮ፡ ሕማም ሽኮር ምስ ዓይኒ ንዝራኸቡ ሰራውር ደም ብምጉዳእ ዓቕሚ ምርኣይ ከንቆልቁል ወይ ምሉእ ብምሉእ ምጥፋእ ከጋጥም መንቀሊ ይኸውን’ዩ። ብተወሳኺ ድማ ብቐሊሉ ብኽታበት ክውገዱ ብዝኽእሉ ፀገማት ጥዕና፡ ዓይኒ ብኸቢድ ክጉዳእ ከምዝኽእል ዶክተር ዮናስ ይዛረብ። \"ከም ንፍዮ ዝኣመሰሉ ሕማማት ክታበት እንተዘይወሲድና፡ በሰላ ብምስዓብ ክሳብ ዕውረት ዓይኒ ከምፅኡ ይኽእሉ'ዮም\" ይብል እቲ ክኢላ ዓይኒ። ኣስዒቡ “ብሰንኪ ጸገም ዝተመጣጠነ መግቢ ወይ ሕጽረት ቪታሚን ኤ፡ ብዙሓት ህፃናት ቁስለት ብሌን ዓይኒ ኣጋጢምዎም ብርሃን ዓይኖም ዝስእኑሉ ኩነታት ኣሎ” ክብል የረድእ። ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ዓይኒ ህፃናት ንዝረኣዩ ከም \"ሕውላለ\" ዝበሉ ፀገማት ዕሽሽ ምባል ኣብ ኣዒንቶም ከቢድ ጉድኣት ከብፅሕ ከምዝኽእል የጠንቅቕ። ጽሬት ዓይኒ ብዘይምሕላው ከም ትራኮማ ዝኣመሰሉ ሕማማት ስለዘጋጥሙ፡ እዚኦም ድማ ብጊዜ ዕውረት ከስዕቡ ይኽእሉ። ሕማም ዓይኒ ካብ ኣባላት ስድራቤት ክውረስ ዝኽእለሉ ተኽእሎ’ውን ኣሎ። ብሰንኪ ጸገማት ጥዕና ዝመጽእ ሕማም ዓይኒ ቅድሚ ናብ ዝኸበደ ደረጃ ምብፅሖም ምርመራ ብምግባር ምፍላጥ ይግባእ። ከም ሽኮር ዝኣመሰሉ ሕማማት ዘለዎም ሰባት ኣብ ኣባላት ስድራቤቶም ናይ ዓይኒ ጸገም ዘለዎም እንተሃልዮምን ስሩዕ መርመራ ዓይኒ ክግበር ኣለዎ። ንህጻናት ድማ መኣዛዊ መግቢ ምሃብን ክታበት ክወስዱ ምግባርን ልክዕ ከም ንኻልኦት ክፍሊ ኣካላት ንኣዒንቶም ኣገዳሲ ምዃኑ ዶክተር ዮናስ ይዛረብ። ዶክተር ዮናስ፡ ህጻናት ካብ ዝውለዱ ኣትሒዞም ኣብ ኣዒንቶም \"ጻዕዳ ነገር\" [ጉልምበት] እንተሃልይዎም፤ ከይበኸዩ ንብዓት ዝፈሶም እንተኾይኑ፤ ኣብ ዓቐን ኣዒንቲ ፍልልይ እንተሃልዩ ከምኡ'ውን ንኣዒንቶም ብተደጋጋሚ ዝሓስዩ እንተኾይኖም ናብ ሕክምና ክውሰዱ ከምዘለዎም ይምዕድ። ብቪታሚን ኤን ኦሜጋ 3ን ዝማዕበሉ መግብታት ኣዘውቲርካ ምምጋብ ንጥዕና ዓይኒ ክሕልው ከምዝኽእል ወሲኹ ይገልፅ። ከም ፓፓዮን ማንጎን ዝኣመሰሉ ፍረታት፤ ከምኡ ድማ ኣሕምልትን ዓሳን ምብላዕ ንጥዕና ዓይኒ ጽቡቕ እዩ። እቲ ሓኪም ዓይኒ \"ሰባት ኣብ ስክሪናት ዘሕልፍዎ ጊዜ ዝለዓለ ካብ ምዃኑ ብዝብገስ፡ ፀገማት ጥዕና ዓይኒ ኣጋጢምዎም ናብ ሆስፒታል ዝመላለሱ ሰባት ቁፅሮም ይውስኽ ምህላዉ ይረኣይ\" ይብል። ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትና ምስ ሞባይላትን ኮምፒዩተራትን ዘለና ርክብ እናወሰኸ ብምምጽኡ፡ ብሰንኪ ዲጂታላዊ ንዋት ዝመጽእ ፀቕጥታት ዓይኒ [Digital Eye Strain ወይ Computer Vision Syndrome] ኣዝዩ ወሲኹ’ሎ። ዶክተር ዮናስ ከምዝበሎ፡ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 2 ሰዓታት ኣብ ስክሪን ምሕላፍ፡ ነዊሕ ግዜ ምዃኑ ይግለጽ። ቢቢሲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝረኣዮ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ ሰባት ኣብ ስክሪናት ዘሕልፍዎ ዘለዉ ግዜ፡ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ብዘይተራእየ ናህሪ ወሲኹ’ሎ። ካብ 5 ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ብማእከላይ ገምጋም ኣብ መዓልቲ 6 ሰዓታትን 30 ደቓይቕን ኣብ ስክሪናት ከምዘሕልፉ እቲ ጸብጻብ የመልክት። ዶክተር ዮናስ፡ ንነዊሕ እዋን ኣብ ስክሪን ምጥማት ግዝያዊ ጸገም ከም ዘስዕብ ይገልጽ። እዚ ድማ ነገራት ድብዝዝ ኢሎም ምረኣይ፣ ወጥሪ፣ ምቕያሕ፣ ምስሓይ፣ ምንቃጽ፣ ምቅፃል፤ ድኻም፡ ድቃስን ሕማም ርእስን የጠቓልል። እቲ ዶክተር ንገለ መጽናዕትታት ብምጥቃስ፡ ነዊሕ ግዜ ስክሪን ምጥቃም ብፍላይ ኣብ ህጻናት ኣርሒቕካ ናይ ዘይምርኣይ [Short-sightedness] ከስዕብ ከም ዝኽእል የረድእ። ዶክተር ዮናስ ስክሪናት ኣብ እትጥቀመሉ እዋን \"ሕጊ ዕስራ ዕስራ\" ክነተግብር ይምዕድ። \"ዕስራ ዕስራ\" ዝብል ሕጊ፡ ከም ኮምፒተር፣ ሞባይል ወይ ተለቪዥን ዝኣመሰሉ ነገራት ን20 ደቓይቕ ድሕሪ ምጥቃም፡ ን20 ካልኢት (ሰከንድ) ኣቋሪፅና  6 ሜትሮ ርሒቐት ናብ ዘሎ ነገር ብምጥማት ኣዒንትና ከነዕርፎም ይሓተና። እዚ ቀሊል ክመስል ይኽእል እዩ፡ ግን ንኣዒንቲ ዝጠቅም ምዃኑ እቲ ዶክተር የረድእ። ንስክሪን፣ ንጸሓይ ወይ ን’መፈስሒ’ ብዝብል መነጽር ምግባር ንጥዕና ዓይንና ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል እዩ። ዶክተር ዮናስ፡ \"ገለ መነጽራት ዝህብዎ ረብሓ ዝተረጋገፀ ኣይኮነን። ገሊኦም ጎዳእቲ ክኾኑ’ውን ይኽእሉ እዮም\" ይብል። ሰማያዊ ብርሃን ዘፃርዩ እዮም ብዝብል ወይ ንኮምፒተር ዝኸውን ብዝብል ብዝለዓለ ወጋ ዝሽየጡ መነጽራት ድማ ብኣብነት ይጠቅስ። “ብርግጽ ኮምፒተር ኣብ እንጥቀመሉ እዋን መነጽር ረብሓ የብሉን ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ። መርመራ ብምግባር ኣድላዪ ዝኾነሉን ንግደደሉን እዋናት ኣሎ\" ይብል። ካብዚ ወጻኢ ግን ገሊኦም ናይ 'ሳይት' ዓቐኖም ምስ ናይቲ ሰብ ዓይኒ ዝቃደዉ ስለዘይኮኑ፡ ኣብ ዓይኒ ጸቕጢ የስዕቡ። እቶም ንጸሓይ ወይ ንመፀበቒ ብዝብል ዝገዝኡ ድማ \"ኣዒንትና ኣብ ፀልማት ከምዘለና ጌሩ ስለዝወስዶ፡ ብሌን ዓይንና ይሰፍሕ\" ክብል እቲ ዶክተር የረድእ። ምስፋሕ ብሌን ከኣ ኣዒንትና ናብ ጎዳእቲን ኣድለይቲ ዘይኮኑን ጨረራት ዝተቓልዑ ክኾኑ ይገብር። ምውሳኽ ዕድመ ካብ ሞንጎ ዘዳኽሞም ክፍሊ ኣካላት እቲ ሓደ ዓይኒ እዩ። ብፍላይ ዕድመ ልዕሊ ኣርብዓ ምስ ኮነ ኣዒንቲ ይደክማ። ናይ ምርኣይ ዓቕሚ እናነከየ ይመፅእ። ዶክተር ዮናስ ናይዚ ምኽንያት ክገልጽ ከሎ፡ ኣዒንትና ዓቕሞም ዘስተኻኽሉን ቅርጺ ዝቕይሩሉን ጭዋዳታት ይኣርጉ ብምህላዉ እዩ ይብል። ኣብ እዋን ንእስነት ብሌን ዓይኒ ንርሕቀት፣ ማእከላይን ቀረባን ዝህቦ ቀሊል ግብረ-መልሲ፡ ዕድመ እናደፍአ ምስ ከደ ግን ንኽእዘዞ ይደክም። ኣብቲ እዋን ሓገዝቲ መነጽራት ከድልዩ ይኽእሉ እዮም። ብኻልእ ገፅ ዕድመ ክደፍእ ከሎ፡ እቲ ካታራክት ዝበሃል ንዓይኒ ዝሽፍን ስብሒ ነገር ብርሃን ኣብ ምትሕልላፍ ፀገም ይፈጥር። እዚ ድማ “ዕንብረ ዝመልኦ ዝመስል ትርኢት ከስዕብ ይኽእል። ኣብዚ መነጽር ብመጠኑ ክሕግዝ ይኽእል እዩ። እናወሰኸ ምስ ከደ ግን ብመጥባሕቲ ጥራይ እዩ ክእለ ዝኽእል\" ይብል እቲ ሓኪም ዓይኒ። ገለ ምስ ዕድመ ዝተኣሳሰሩ ናይ ዓይኒ ጸገማት ብሕክምና ክሓውዩ ዝኽእሉ ክኾኑ ከለዉ፡ ገሊኦም ግን ሕክምና ዘይክመልሶም ይኽእል’ዩ። ዶክተር ዮናስ፡ “ሰባት ኣዒንቶም ስራሕ ከም ዘቋረጸ ሃንደበት ክፈልጡ ይኽእሉ እዮም፡ እንተኾነ ግን ኣዒንቲ ሃንደበት ኣይጠፍኣን እዩ” ይብል። ንሱ ከምዝብሎ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረን ዘይተሓከመን ጸገም ናብ ዕውርነት ከሰጋግር ይኽእል'ዩ። ብፍላይ \"ሰራቒ ብርሃን ዓይኒ\" ተባሂሉ ዝፍለጥ ግላኮማ፡ ዝኾነ ምልክት ከየርኣየ ንነዊሕ እዋን ንመትኒታት ዓይኒ ብምጉዳእ ናይ ዘይምርኣይ ፀገም የስዕብ። ነዚ እዩ ድማ 40 ዓመት ዕድመ ዝመልኦም ሰባት በቢዓመቱ ብቐፃሊ ናይ ዓይኒ መርመራ ክገብሩ ዝምከር።","category":"ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/czv48zkwpwpo"} {"headline":"ብምርሳዕ ተጸጊምኩም ዲኹም? ዝኽረት ዘማዕብሉ ሓሙሽተ ብልሓታት","content":"ኣእምሮኹም ዝኾነ ነገር እናረስዐ እንተኣሸጊሩኩም፡ ተስፋ ኣይትቑረጹ። እዞም ዝስዕቡ ሓሙሽተ ቀለልቲ ብልሓታት ናይ ምዝካር ክእለትኩም ኣብ ምምሕያሽ ኣወንታዊ ውጽኢት ክህቡኹም ይኽእሉ እዮም። መብዛሕትና ዝሓሸ ዝኽረት ክህልወና ትምኒትና እዩ። ሰለስተ ነገራት ክንገዝእ ናብ ድኳን ድሕሪ ምኻድና፡ እቶም ክልተ ጥራይ ዝዘከርናሉ ኣጋጣሚ እንተዘይህሉ ንመርጽ። ሎሚ ክንገብሮ ዝሓሰብናዮ ነገር፡ ክንድቅስ ኣብ ንዳለወሉ እዋን ከምዘይገበርናዮ ምዝካርና ዘሕርቐና ብዙሓት ኢና። ካብ ኣእምሮና ቀልጢፉ ዘይጠፍኣሉ ብልሓት እንተዝሕሉ ኩላትና ደስ ምበለና። ዝኽረት ንምምሕያሽ ዝሕግዙ ከም ነሞኒክስ (mnemonics፡ መጽናዕትን ምዕባለን ዝኽረት ዘመሓይሹ ስርዓታት) ዝኣመሰሉ ብዙሓት ዝተፈተኑን ዝእመኑን ሜላታት ኣለዉ። ተመራመርቲ፡ ዝኽረት ንምምሕያሽ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ብሉጽ መገዲ ንምርግጋጽ ተወሳኺ መጽናዕቲ ከድልዮም እዩ። እንተኾነ ግን ሓደ መጽናዕቲ፡ ኣብ መጻኢ ዝያዳ ልሙድ ክኾኑ ዝኽእሉ ሓሙሽተ ብልሓታት ዝብለና ኣለዎ። ግዜን ቦታን ኣዝዮም ከምዝፈላለዩ ንሓስብ ንኸውን። ይኹን እምበር ካብቲ እንሓስቦ ንላዕሊ ዝራኸቡሉ መገዲ ኣሎ። መብዛሕትና ‘መጻኢ ግዜ’ ኣብ ቅድሜና ከምዝተዘርገሐ፡ ‘ሕሉፍ ግዜ’ ድማ ብድሕሬና ከምዝዝርጋሕ ጌርና ኢና እንሓስብ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሮሃምፕተን ዝርከቡ ተመራመርቲ፡ ፍጻመታት ብዝሓሸ መገዲ ንኽንዝክር ዝሕግዘና መገዲ ንምርካብ ነዚ ኣብ ኣእምሮና፡ ኣብ መንጎ ግዜን ቦታን ዘሎ ምትእስሳር ከጽንዑ ወሲኖም። ንሰባት ዝርዝር ቃላት፡ ስእልታትን ቪድዮን ኣርኣይዎም። እቶም ሰባት ኣብ ሓደ ክፍሊ ሜቶሮኖም (ግዜ ዝሕብር መሳርሒ) ተገይሩ ንቕድሚት ወይ ንድሕሪት 10 ሜተር ክጐዓዙ መምርሒ ተዋህቦም። ድሕሪኡ ኣብቲ ቪድዮ ብዛዕባ ዝረኣይዎ ነገር ዘለዎም ተዘክሮ ብዝምልከት ክፍተኑ ከለዉ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፈተና እቶም ንድሕሪት ዝኸዱ ሰባት ዝያዳ ነጥብታት ክዝክሩ ክኢሎም። ኣብ ሓደ ቦታ ንድሕሪት ክኸዱ ከለዉ፡ ኣእምሮኦም ናብ ሕሉፍ ግዜኦም ንክምለሱ ዘተባብዕ እዩ ነይሩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ ብዛዕባ ሕሉፍ ግዜ ኣብ ኣእምሮኦም ዘሎ ተዘክሮታት ብቐሊሉ ክረኽቡ ክኢሎም ማለት እዩ። ደቂ ሰባት ዝሓለፈ ፍጻመ ክንዝክር ከለና ነቲ ኣብ ኣእምሮና ዘሎ ተመክሮ ብተገላባጢ ቅደም ተኸተል ዳግማይ ከም እንሃንጾ እቲ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ንኣብነት፡ መጀመርታ ንሓንቲ ብሽክለታ ክንርእይ ከለና ፈለማ ንቅርጻ፡ መጠና፡ ሕብራ ዝኣመሰሉ ዝርዝራት ኢና ነስተብህል። ብድሕሪኡ ኣብ ኣእምሮና ብሽክለታ ምዃና ንግንዘብ። ንሓደ ኣቕሓ ክንዝክር ክንፍትን ከለና ግን ብተገላባጢ እዩ። ፈለማ ነታ ብሽክለታ ንዝክር’ሞ ድሕሪኡ፡ ዕድለኛታት እንተኾይንና፡ ንቅርጻ፡ መጠና፡ ሕብራ ዝኣመሰሉ ዝርዝራት ክንዝክር ንኽእል። ሰባት ኣስቤዛ ንምግዛእ ኣብ ዝኸድሉ እዋን ዘድልይዎም ነገራት ንዘይምርሳዕ ዝርዝሮም ክጽሕፉ ምርኣይ ልሙድ እዩ። ግን ኣብ ክንዲ ምጽሓፍ ነቶም ኣቑሑት እንተሰኣሉዎም'ኸ? ኣብ 2018፡ ሓደ ጉጅለ መንእሰያትን ዓበይትን ሰባት ክፈልጥዎም ዝግብኡ ዝርዝር ቃላት ተዋሂብዎም። ፍርቆም ንነፍሲ ወከፍ እቶም ቃላት ክስእሉ ተሓቲቶም። እቶም ዝተረፉ ድማ ነቶም ዝርዝር ክጽሕፉ መምርሒ ተዋሂብዎም። ጸኒሖም እቶም ሰባት ክንደይ ቃላት ክዝክሩ ከም ዝኽእሉ ተፈቲኖም። እቲ ናይ ምስኣል ተግባር ኣዝዩ ለውጢ ኣርእዩ። እቶም ስእሊ ዝሰኣሉ ዓበይቲ ሰባት ከምቶም መንእሰያት ብዙሕ ቃላት ዘኪሮም። ስእሊ ምስኣል፡ ኣብቶም ሕማም ምርሳዕ ዘለዎም ሰባት ከይተረፈ ለውጢ ኣምጺኡ። ሓደ ነገር ክንስእል ከለና ብዛዕብኡ ብዙሕ ዝርዝር ነገራት ክንሓስብ ንግደድ ኢና። እዚ ድማ ንኽንዝክሮ ዝያዳ ተኽእሎ ይህበና። ብርግጽ ዝርዝር ምጽሓፍ’ውን ቁሩብ ይሕግዝ’ዩ። ንኣብነት፡ ዝጸሓፍክምዎ ዝርዝር ኣብ ገዛ ረሲዕኹም ናብ ድኳን እንተኸይድኩም፡ ካብ’ቶም ፈጺሞም ዝርዝር ዘይጸሓፉ ብዝሓሸ ዝያዳ ኣቑሑት ክትዝክሩ ትኽእሉ። ስእሊ ምስኣል ድማ ሓደ ስጉምቲ ዝበለጸ ይኸውን። ስእሊ ኣይንኽእልን ኢልኩም ኣይትሕሰቡ። ጽሬትን ጽባቐን ናይቲ ስእሊ ኣብ ዓቕሚ ምዝካር ዘምጽኦ ዝኾነ ፍልልይ የለን። ከም ጉያ ዝኣመሰለ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ናይ ምዝካር ክእለት ከማሓይሽ ከም ዝኽእል ካብ ዝፍለጥ ጸኒሑ’ዩ። ስሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣካላት ገለ ውጽኢት ኣለዎ። ብፍላይ ገለ ነገር ክትፈልጡ ምስ እትደልዩ ግን፡ ሽዑ ንሓደ ግዜ ጥራይ ዝግበር ምውስዋስ ኣካላት ብርግጽ ዝሕግዝ ይመስል። እንተወሓደ ንሓጺር እዋን ዝኽረት ዘመሓይሽ እዩ። ኣብ ቅኑዕ ግዜ እንተተጌሩ ግን፡ እቲ ዝኽሪ ናይ ምምሕያሽ ጻዕሪ ዝያዳ ዝሓሸ ክኸውን ከም ዝኽእል መጽናዕትታት ይሕብሩ። ዝርዝር ስእልታት ምስ ገለ ቦታታት ተዛሚዶም ዝተወሃቡ ሰባት፡ ፍርቆም ድሕሪ ኣርባዕተ ሰዓታት ናይ 35 ደቓይቕ ምውስዋስ ኣካላት ክገብሩ መምርሒ ተዋሒቦም። ፍርቆም ድማ ብኡንብኡ ምውስዋስ ኣካላት ክገብሩ ተነጊርዎም። ክሳዕ ክንደይ ከምዝዝክሩ ምስ ተፈተኑ፡ እቶም ድሕሪ ኣርባዕተ ሰዓታት ናይ 35 ደቓይቕ ምውስዋስ ኣካላት ዝገበሩ ዝሓሸ ውጽኢት ኣመዝጊቦም። ኣብ መጻኢ ተመራመርቲ ብልክዕ ምውስዋስ ኣካላት መዓስ ዝያዳ ጠቓሚ ከምዝኾነ ንምርግጋጽ ክሰርሑ’ዮም። እዚ ድማ ከከም’ቲ ክትዝክርዎ ትደልይዎ ነገራት ክፈላለ ይኽእል’ዩ። ብሰንኪ ወቕዒ፡ ብምርሳዕ ዝሽገሩ ሰባት፡ ዝርዝር 15 ቃላት ክዝክሩ ምስተዋሃቦም ድሕሪኡ ካልእ ዕማም ክገብሩ ተነጊርዎም። ድሕሪ 10 ደቓይቕ ክፍተኑ ከለዉ፡ ካብቲ ዝተውሃቦም ዝርዝር ቃላት 14 ሚእታዊ ጥራይ ዘኪሮም። ፍጹም ዋላ ሓንቲ ከይገበሩ ኣብ ጸልማት ክፍሊ ን15 ደቓይቕ ኮፍ ምስ ዝበሉ ግን ውጽኢቶም ብዝድነቕ መልክዑ ናብ 49 ሚእታዊ ደይቡ። ኣብ ሄሪዮት ዋት ዩኒቨርሲቲ ሚካኤላ ደዋር፡ ተመሳሳሊ ሜላ ተጠቒማ ዘካየደቶም መጽናዕትታት፡ ኣብ ጥዑያት ሰባት ገለ ነገር ምስ ተማህሩ ዝወስድዎ ሓጺር ዕረፍቲ ድሕሪ ሰሙን ከይተረፈ ዝሓሸ ክዝክሩ ከም ዝኽእሉ የመልክቱ። እቶም መጽናዕትታት፡ ዋላ’ውን ሓጺር ዕረፍቲ ኣብ ዝኽረት ለውጢ ክህልዎ ከምዝኽእል ይሕብሩ። ንድሕሪት ምኻድ፡ ስእሊ ምስኣል፡ ምውስዋስ ኣካላት ወይ’ውን ዕረፍቲ ምውሳድ እንተዘይመሪጽኩም ድማ ሓጺር ድቃስ ክትድቅሱ ትኽእሉ። ድቃስ ነቲ ዝተማሃርናዮ ሓበሬታ ዳግማይ ብምንቅስቓስ ዝኽርታትና ንምድልዳል ይሕግዝ። እቲ ድቃስ ግድን ለይቲ ክኸውን የብሉን። ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ተመራመርቲ፡ ተሳተፍቲ መጽናዕቶም፡ ክሳብ 90 ደቓይቕ ደቂሶም ድሕሪኡ ፊልም ድሕሪ ምርኣዮም ዝያዳ ክዝክሩ ከም ዝኸኣሉ ይሕብሩ። ኣዝዩ ናይ ቀረባ እዋን መጽናዕቲ ድማ እዚ ሜላ ኣብቶም ኣብ ድሕሪ ቀትሪ ብቐጻሊ ሓጺር ድቃስ ናይ ምድቃስ ልምዲ ዘለዎም ሰባት ዝበለጸ ውጽኢታዊ ከምዝኾነ ይሕብር።","category":"ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cevgxz1775xo"} {"headline":"\"ብሰንኪ ሕብሪ ስነይ: ሕልመይ ተቖጽዩ ተሪፉ\"","content":"ኣብ ታንዛንያ ኣሩሻ ፍሎራይድ ዝበዝሖ ማይ ስለዘሎ ሰባት ሕብሪ ኣስናኖም ናብ ቢጫ ናይ ምቕያር ተኽእሎ ኣለዎ። ጃኔት ካብተን ኣስናነን ናብ ቢጫ ዝተቐየረ ደቂ እቲ ዓዲ ኮይና ኣብ ውድድር ጽባቐ ናይ ምስታፍ ሕልማ ተኾሊፉ።","category":"ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cpdymgvmz5ko"} {"headline":"ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ክሳዕ ክንደይ ሃሳዪ ከምዝኾነ ትፈልጡ ዶ?","content":"ኣብ ዝኾነ ኩነታት ነቲ ዝኸፍአ ከጋጥም ዝኽእል ነገር ምጽባይ ንጥዕናኹም ጎዳኢ እዩ። ብኸመይ ኢና ነዚ መራዚ ኣተሓሳስባ ክነወግድ እንኽእል? ንሓደ እትሓልምዎ ስራሕ ኣመልኪትኩም ኣለኹም ተመሚኹም ንኻልኣይ ዙርያ ቃለ መጠይቕ ተጸዊዕኩም ኣለኹም ንበል። ነቲ በጺሕኩምዎ ዘለኹም ደረጃ ጸምቢልኩም ናብቲ ዝቕጽል ብድሆ ምድላው ዶ ትጅምሩ? ወላስ ብቐጥታ‘ይነጽጉኒ’ዶይዀኑ’ ዝብል ጥርጣረ ወሪሱኩም፣ ንነብስኹም “ነዚ እንተዘይሓሊፈ፡ ጥፉሽ’የ ማለት እዩ” ትብልዋ? ወይ ክኣ፡ ካብ መሓዛኺ መልሲ ትጽበዪ ኣለኺ ንበል። ቀልጢፉ መልሲ እንተዘይልኢኹልኪ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ካልእ ስራሕ ተጸሚዱ ይኸውን ዝብል፡ ከቐይሞ ገይሮም’ዮም ብዛዕባ እትብልዮም መገዲታት ምሕሳብ ትጅምሪ ትዀኒ። ንበል ክኣ፡ ጂኦፖለቲካዊ ፍጻመታት ዘገድሰኩም ሰባት ኢኹም። ካብዚ ብዝብገስ፡ ወትሩ ኣብዛ ዓለም ኲናት ኒኩሌር’ዶ፣ ካልእ ቀታሊ ቫይረስ ወይ ቁጠባዊ ዝሕታለ ክኽሰት ይኽእል እዩ ብዝብል ጭንቂ ንሰዓታት፣ መዓልትን ለይትን ከተውግዑ ተሕልፉዎ። እዚኦም፡ ንርእስኹምን ኣብ ልዕሊ እትፈትዉዎም ሰባትን ከብጽሑዎ ዝኽእሉ ዕንወት ብምሕሳብ ትውጠሩ። ነብስኹም፡ ከምዚ ዓይነት ነገራት ኣብ ዝመላለሶም ሰባት ከም እትስራዕ እንተፈሊጥኩም፡ ኣዕናዊ ሓሳብ [catastrophising] ዘጋድድ ኣእምሮኣዊ ልምዲ ኣለኩም ማለት እዩ። እዚ፡ ሕማቕ ነገር ክኽሰት ተኽእሎ ኣሎ ብምባል፡ ናይ ዝዀነ ነገር ተኽእሎ ኩሉ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣለዎ ኢልካ ምሕሳብ እዩ። “እዚ ዝንቡዕ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ፡ ንደረጃ ብርትዐ ክትቆጻጸሮም ኣጸገምቲ ዝዀኑ ስምዒታት ከበርዀም ይኽእል፤ እዚ ክኣ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ኣዝዩ ከቢድ’ዩ” ይብል ኣብ ካናዳ ክኢላ ስነ ልቦና ፓትሪክ ኪላን። ስግኣታት ኣዕናዊ ሓሳብ፡ ንስምዒታት ጭንቂ ብምጉላሕ ንጥዕና ኣእምሮ ስግኣት ዝኸውን ሳዕቤን ክህልዎ ከም ዝኽእል ገለ መጽናዕታት ይሕብሩ። እዚ ስምዒት ኣብ ህይወትና ኣብ ዝዀነ እዋን ከጋጥም ዝኽእል እዩ። ግን ክኣ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተፈጥረ ፍርሒ፣ ምስቲ ኣብ ዓለም ዝርአ ዘሎ ፖለቲካውን ቁጠባውን ዘይምርግጋእ ንርእዮም ዘለና ምዕባለታት ነዚ ከጋድዱዎ ይኽእሉ። ከምዚኦም ዝበሉ ሓደገኛ ስምዒታት ንምስባር ግን፡ ዓቕሚ ተጻዋርነት ምዕባይ የድሊ። ኣብ መጀመርታ መፋርቕ መበል 20 ክፍለ ዘመን፡ ሲግመንድ ፍሮይድ ዘመንጨዎም ትንታነታት ስነ ልቦና፡ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ንምቅላስ ኣብ ተግባር ይውዕሉ ነይሮም። ስነ ልቦናዊ ጎንጺ ዝፈጥሩ፡ ዝተዓፈኑ ፍርሕን ድልየታትን - መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እዋን ቁልዕነት ዘጋጠሙ ከምኡ’ውን ብተፈጥሮ ዝወረስናዮም- ስለ ዝዀኑ፡ ሙሁራት ነዚኦም ንምውጋድ ብዝብል ስነ ልቦናዊ ማዕዳታት ፍሮይድ ይጥቀሙ ነይሮም። ኣብ መፋርቕ እቲ ክፍለ ዘመን ግን፡ ከም ኤልቤርት ኤሊስን ኣሮን ቤክን ዝበሉ ሰብ ሞያ ስነ ልቦና፡ ሰባት ዘጋጥሞም ጭንቀት ንምፍታሕ ኣማራጺ እዮም ዝበሉዎም መገዲታት ኣተኣታትዮም። ነዚ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ዝተቐበሩ ወይ ዝተዓፈኑ ስነ ልቦናዊ ግርጭታት ምፍታሽ፡ ናብ ጭንቀት ከምርሑ ዝኽእሉ ግጉያት ኣተሓሳስባታት ወይ “ዝንቡዕ ግንዛበ” ትኹረት ብምግባር ኣብ ኣተሓሳስባ ንቕሓተ ሕሊና ሰባት ትኹረት ገይሮም። በዚ ኣገባብ፡ ኣዕናዊ ሓሳብ (ካታስትሮፋይዚንግ) ፍርሒ ኣብ ምምዕባል ተራ ከም ዝህልዎ ብምግላጽ፡ እዚ ናይ ግንዛበ ምዝባዕ ዝፈጥሮ ጸገም ምዃኑ ተገሊጹ። ንኣብነት፡ ሓደ ናይ በረራ ፍርሒ ዘለዎ ሰብ፡ ኣብ ውሽጢ ነፋሪት ንዘጋጥም ንእሽቶ ምንቅጥቃጥ ከም ዓብዪ ምልክት ቴክኒካዊ ጸገም ገይሩ ክትርጉሞ ይኽእል። ክንድኡ ዘየጋንን ዓይነት ሰብ እንተዝኸውን ነይሩ፡ ኣብ ሰራሕተኛታት እቲ በረራ ምስንባድ ዘይምህላው ክርኢ ምኽኣለ። ኣዕናዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብ ግን እቶም ሰራሕተኛታት’ውን ነቲ ኩነታት ኣቓልቦ ኣይገበርሉን ኢሉ እዩ ዝሓስብ። ስለዚ፡ እቲ ዘይሃድአ ድምጺ ክቕጽል እንከሎ ክመውት እየ ዝብል ነገር ምሕሳብ ይጅምር። እዚ፡ ካልእ ናይ ጭንቀት ምዝባዕ ንክፍጠር ዓብዪ ተራ ከም ዝጻወት መጽናዕታት ይሕብሩ። ንኣብነት ኣብ ስራሕ፡ ነገራት ኣግዚፉ ብኣሉታ ናይ ምሕሳብ ዝንባለ ዘለዎ እሞ ኩሉ ነገር ጥንቅቕ ኣቢሉ ዝሰርሕ ሰራሕተኛ፡ ብንኣሽቱ ጌጋታት’ዩ ዝጉሂ። “ከምዚ ዓይነት ሰብ፡ ‘ካብ ስራሐይ ክስጐግ እየ’፣ ‘ካብ ስራሕ እንተተባሪረ፡ ክጻወሮ ኣይክእልን’ ናብ ዝብል ሓሳባት እዩ ዝኣቱ” ይብል ኪላን። ብተመሳሳሊ፡ እቲ ዘለዎ ፍርሒ እቲ ሰብ ስርሑ ብኣግባቡ ክሰርሓሉ ናብ ዘይኽእል ደረጃ ክብጽሖ ይኽእል እዩ። ናይ ጥዕና ጭንቀት ንዘለዎ ሰብ ድማ፡ ኣብ ሰብነቱ ዘላ ንኡሽቶ ለውጢ ናይ መንሽሮ ምልክት ገይሩ ክርእያ ይገብር። ካልእ ኣብነት ክንህበኩም። ኣብ ቅድሚ ሰብ ደው ኢሉ ምዝራብ ዝርዕድ ሰብ፡ ልቡ ምህራማ ምልክት ከጋጥመኒ ዝኽእል ወቕዒ ልቢ እዩ ኢሉ ይወስዶ። ናይዚ ኣዕናዊ ሓሳብ ውጽኢት ናብ ሙሉእ ሓደጋ ስንባደ ከምርሕ ይኽእል እዩ። “ኣብ ሰብነትካ ንዘጋጥም ለውጥታት ኣዕናዊ ወይ ግጉይ ትርጓመ ምሃብ ፍርሕን ጭንቀትን ክውስኽ እዩ ዝገብር” ይብል  ኣብ ጀርመን ሓኪም ስነ ልቦና ባርናባስ ኦስት። ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ዝተኻየዱ መጽናዕታት፡ ኣዕናዊ ሓሳብ ኣብ ልዕሊ ስነ ኣእምሮኣዊ ጥዕናና ካብ ዝፈጥሮ ጽልዋ ብዝሰገረ ስምዒታት ኣካላዊ ቃንዛ’ውን ከጋድድ ከም ዝኽእል ይሕብሩ። ንኣብነት፡ ሓያል ሕማም ርእሲ ክሕዘኩም እንከሎ ምናልባት መንሽሮ ሓንጐል ኣለኒ ኢልኩም ትሓስቡ። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኣብ ሓንጐል ዘሎ ቃንዛ ክውስኽ ብምግባር እቲ ሕማም ርእሲ ንክጋደድን ነዊሕ ንክጸንሕን ከም ዝገብሮ መጽናዕታት የመልክቱ። ሰባት፡ ኣዕናዊ ኣተሓሳስባታት ክመላለሶም ዝገብሩ ብዙሓት ምኽንያታት ኣለው። ስምዒታቶም ብቕልጡፍ ክለዋወጥ ዝገብር ስነ ልቦናዊ ስግኣት (ኒዩሮቲስዝም) - ብኸፊል ጀነቲካዊ’ዩ - ዘለዎም ሰባት ግዳያት እዚ ኣዕናዊ ኣተሓሳስባ ክዀኑ ይኽእሉ። ወትሩ ወለድኻ ናይ ዝዀነ ክስተት ሕማቕ ሳዕቤን ክሻቐሉ እንተርኢኻዮም፡ ንስኻውን ንኣጸጋሚ ኩነታት ብተመሳሳሊ መገዲ ናይ ምርኣይ ተኽእሎኻ ልዑል እዩ። ሕጂ ዘለናሉ ኩነታት’ውን ናይ ባዕሉ ተራ ክጻወት ይኽእል እዩ። ልዑል ናይ ጭንቀት ስምዒታትን ምትእምማን ምስኣንን፡ ንኣሽቱ ምኽንያት ክዀኑ ዝኽእሉ ነገራት ናብ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ክወስዱና ከም ዝኽእሉ መርኣያ እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ወይ ክልተ ዓመታት ኣተሓሳስባኹም ንባይታ ክወርድ እንተተዓዚብኩምዎ፡ ኣጋጣሚ ኣይኰነን፤ ዜናታት ክስታት ዓለም ነቲ ኣዕናዊ ኣተሓሳስባና ከም ዘጋደዱዎ መረጋገጺ’ዩ። ሓደ ሓደ እዋን፡ ብዛዕባ እቶም ክስተታት ኣዕናዊ ሓሳብ ክትሓስቡ ትኽእሉ ኢኹም፤ ንኣብነት ኲናት ዩክሬይን፣ ዓሌታት ኮሮናቫይረስ ወይ ቁጠባዊ ውድቀት። ኣብ ካልእ እዋን ድማ፡ ኣብ ሞንግኦም ዝዀነ ዓይነት ርክብ ከም ዘየሎ መሲሉ ክርኣየኩም ይኽእል። እቲ ናይ ዜናታት ዑደት ደረጃ ጭንቀትካ ስለ ዝውስዀ፡ ዚያዳ ብዛዕባ ውልቃዊ ጸገማትኩም ናብ ምሕሳብ ክትኣትው ትኽእሉ። ኩሉ ግዳይ ኣዕናዊ ሓሳባት ክኸውን ከም ዝኽእል መጽናዕታት ይሕብሩ፤ ነዚ ኽኣ ኣብ ዓለም ዝዝርግሑ ዜናታት ከጋድዱዎ ይኽእሉ። ኣዕናዊ ሓሳባት ምንጩ ብዘየገድስ ክስበር ዝኽእል ማሕለኻ እዩ። ግንዛበ እቲ ኣገዳሲ ዛዕባ ኰይኑ፡ ካብኡ ክትወጽኣሉ ኣብ እትኽል መገዲ ትኹረት ምግባር ይምከር። ንኣብነት፡ ንናይ ስራሕ ቃለ መጠይቕ ኣብ እትኸድሉ እዋን ብቐጥታ ናብ ርእስኹም ዝመጽእ ‘ክወድቕ’የ’ ዝብል እንተዀይኑ፡ ክወድቕ እየ ዘበለካ ምኽንያት እንታይ’ዩ? ብጭቡጥ ኣብ ኢድኩም ዘሎ ጭብጢ ሒዝኩምከ ነቲ ኩነታት ብኸመይ ኢኹም ትትርጉምዎ? እዚ እንተጌርኩም፡ ኣብቲ ቃለ መጠይቕ ዝሓሸ ውጽኢት ንምምጻእ ዘኽእለኩም ነገር ንምግባር ዕድል ክትረኽቡ ኢኹም። ቀቀዲምካ ናብ ግጉይ ድምዳመ ካብ ምኻድ ምቑጣብ ክኣ ሓጋዚ ተራ ኣለዎ።","category":"ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2lzyxx9l4o"} {"headline":"ኣብ ቻይና፡ ሓድሽ ቫይረስ ከምዝተራእየን 35 ሰባት ከምዝተለኸፉን ይንገር ኣሎ","content":"ተመራመርቲ፡ ነቲ ኣብ ምብራቓዊ ቻይና ዝተራእየን ብዙሓት ሰባት ለኺፉ ዘሎን ካብ እንስሳት ዝመጽእ ሓድሽ ቫይረስ፡ ምክትታል ይገብሩሉ ከምዘለዉ ተሓቢሩ። እቲ 'ላንግያ' [LayV - ለይቪ] ዝብል መጸውዒ ዝተዋህቦ ቫይረስ፡ ሻንዶንግን ሄናንን ኣብ ዝበሃላ ግዝኣታት ኣብ 35 ሕሙማት ተረኺቡ'ሎ። መብዛሕትኦም ድማ ከም ረስኒ፡ ድኻምን ሰዓልን ዝኣመሰሉ ምልክታት ተራእይዎም። ነቲ ቫይረስ ካብ እንስሳት ከምዝተለኽፍዎ ዝግመት ኰይኑ፡ ክሳዕ ሕጂ ግን፡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክመሓላልፍ ከምዝኽእል ዝተረጋገጸ ነገር የለን። ተመራመርቲ፡ እቲ ቫይረስ ብቐንዱ ኣብታ 'ሽረው' ብዝብል እትፍለጥ ኣንጭዋ እትመስል እንስሳ ከምዝረኸብዎ ገሊጾም ኣለው። እዚ ርኽበት፡ ኣብ ቻይና፡ ሲንጋፖርን ኣውስትራልያን ዝርከቡ ተመራመርቲ ኣብ ዝጸሓፍዎን ኣብዚ ወርሒ ኣብ 'ኒው ኢንግላንድ ጆርናል ኦፍ ሜዲሲን' ዝተሓተመን ደብዳበ ተጠቒሱ ነይሩ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ዱክ-ኤንዩኤስ ሲንጋፖር ዝሰርሕ ዋንግ ሊንፋ ዝተበሃለ ሓደ ካብቶም ተመራመርቲ፡ ብመንግስቲ ቻይና ንዝውነን ግሎባል ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዛጊት ሕሙማት 'ለይቪ' ኣብ ዝተረኸቦም ሰባት ዝሰዓበ ሞት ከምዘየለ፡ ከምኡ'ውን ጽኑዕ ሕማም ከምዘይተረኣየን ኣረዲኡ፤ ስለዝዀነ \"ምስንባድ ኣየድልን\" ኢሉ። ይዅን እምበር ኣብዚ እዋን ዝርከቡ ዘለዉ ብዙሓት ቫይረሳት ንደቂ ሰባት ክለኽፉ ከለዉ ዘይተገመተ ውፅኢት የኸትሉ ስለዘለዉ ሕጂ'ውን ጥንቃቐ ከምዘድሊ ሚስተር ዋንግ ኣተሓሳሲቡ። ቫይረስ ለይቪ ካብተን ዝተመርመራ ሽረው ዝበሃላ እንስሳት ኣብተን 27 ሚእታዊት ከምዝተረኸበ ዝሓበሩ ተመራመርቲ፡ እተን ሞል ምስ እትበሃል እንስሳ ምምስሳል ዘለወን መጥበውቲ፡ \"ባህሪያዊ መኽዘን\" ናይቲ ቫይረስ ክዀና ከምዝኽእላ ይሕብሩ። ምርመራ ካብ ዝተገበረለን ኣኽላባትን ኣጣልን እውን፡ እተን ኣስታት 5 ሚአታዊት ኣኽላባት ከምኡ'ውን 2 ሚእታዊት ኣጣል እቲ ቫይረስ ተረኺብወን። ማእከል ምቍጽጻር ሕማማት ታይዋን፡ ንምዕባለታት ቫይረስ ለይቪ \"ብቐረባ ኣቓልቦ ሂቡ\" ይከታተሎ ከምዘሎ ብሰንበት ገሊጹ ነይሩ። እቲ ቫይረስ ካብቶም 'ሄኒፓቫይረስ' ብዝብል ዝፍለጡ ዓሌት ቫይረስ ሓደ ኰይኑ፡ ካብ እንስሳታት ናብ ሰብ ክሓልፍ ዝኽእል ምድብ ዙኖቲክ ቫይረሳት እዩ። ዙኖቲክ ቫይረሳት ኣዝዮም ልሙዳት'ኳ እንተዀኑ ካብ ምጅማር ለበዳ ኮቪድ ጀሚሩ ግን ዝያዳ ኣቓልቦ ዝሰሓቡ እዮም። ማእከል ምቍጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣሜሪካ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ሰባት ካብ ዝረኣዩ ሓደስቲ ዝቕልቀሉ ዘለዉ ኣርባዕተ ተላባዕቲ ሕማማት እቶም ሰለስተ ካብ እንስሳታት ከም ዝመጹ ተመራመርቲ ይግምቱ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ብሰንኪ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ምዝመዛ እንስሳ ዘገዳምን ለውጢ ክሊማን ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሕማማት ከም እትርኢ ኣጠንቂቑ ነይሩ። ገለ ዙኖቲክ ቫይረሳት ንደቂ ሰባት ክቐትሉ ይኽእሉ እዮም። እዚኦም ድማ ኣብ ኤስያ ኣብ እንስሳታትን ደቂ ሰባትን በብእዋኑ ዝረአ ቫይረስ ኒፓህ ከምኡ’ውን ኣብ ኣውስትራልያ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ኣፍራስ ዝተረኽበ ቫይረስ ሄንድራ ይርከብዎም። ካልኦት ተዛመድቲ ሄኒፓቫይረሳት እውን ኣብ ሽረው፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንካዕን ኣንጭዋን 'ሮደንትስ' ብዝብል ዝፍለጣ እንስሳትን ተረኺቦም እዮም።","category":"ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c13nr12ve1do"} {"headline":"ብዛዕባ ኣካላትና ካብ ዝበሃሉ ሓሙሽተ 'ጽዋታት' እንታይ ንፈልጥ?","content":"ቢቢሲ ፊዩቸር ካብ ቅርጺ ‘ቍጽሪ ሸሞንተ’ ኣትሒዙ ብዛዕባ መበቈል \"ጡብ ወዲ ተባዕታይ\" ኣመልኪቱ ብዛዕባ ኣካላት ወድሰብ ዝበሃል ቅኑዕን ዘይቅኑዕን ዝጸንሐ ጽዋታት፡ ከም ሓዲስ ከም ዝቃነ ገይሩ'ሎ። ረጐድቲ ሰባት ድንጕይ ሜታቦሊዝም ኣለዎም (ውሑድ ካሎሪ ዘቃጽሉ ሰባት፡ ምእንቲ ከይረጕዱ ውሑድ ምግቢ ክምገቡ ኣለዎም።) ካብ ግቡእ ንላዕሊ ዝገዘፈ ሰብነት ዘለዎም ሰባት ዝያዳ ጸዓት ዘህልኹ ዓበይቲ ክፍሊ ኣካላት ኣለዎም። ልክዕ እዩ፡ ጭዋዳታት ካብ ስብሒ ብሰለስተ ዕጽፊ ዝዛይድ ሓይሊ ይጥቀሙ። ዋህዮታት ካልኦት ክፍሊ ኣካላትና ግን ካብዚ ንላዕሊ ይጥቀሙ እዮም። ስቡሓት (ረጐድቲ) ሰባት ምስቶም ቀጠንቲ ክወዳደሩ እንክለዉ ገዘፍቲ ኣካላትን ዝያዳ ዋህዮታትን ኣለዎም። እዚ ማለት ሓፈሻዊ ኣጠቓቕማ ጸዓት ወይ ከኣ ኣብ ዘዕርፉሉ እዋን ዘቃጽልዎ መጠን ካሎሪ ብዙሕ እዩ ማለት እዩ። ምንጪ'ዚ፡ ጆርናል ኦፍ ኑትሪሽን ሳይንስ እዩ። ዓቢይ መቐመጫ ግድን ካብ ዓቢይ ከስዐ ይሓይሽ ማለት ኣይኰነን። ሓደ እዋን ተመራመርቲ ስነፍልጠት ሉል ዝቕርጹ ኣካል ዘለዎም ሰባት፡ ቅርጺ ቱፋሕ ካብ ዘለዎም ሰባት ንላዕሊ ጥዑያት ከምዝዀኑ ይሓስቡ ነይሮም። ከም ቱፋሕ ኣብ ከስዐ ክብደት ዘለኩም ዲኹም ወይስ ከም ሉል ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ረጐድቲ ኢኹም? ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ልዑል ስብሒ ከብዲ ዘለዎም ሰባት፡ ስብሒ ከብዶም ነድሪ ዘጕህር፡ ጸቕጢ ደም ዘዛይድ ከምኡ'ውን ኢንሱሊን ከም ዝጻወር ዝገብሩ ከሚካላት (ንጥረ-ነገራት) ስለዘመንጩ ንጸቕጢ ደምን ሽኮርያን ዝተቓልዑ ከምዝዀኑ ይሕሰብ ነይሩ። ብኣንጻሩ እቲ ኣብ መቐመጫ ዝርከብ ስብሒ ብተዛማዲ ጽቡቕ ተገይሩ ይርአ ነይሩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ዴቪስ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርኒያ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ግን፡ እዚ \"ብሉጽ\" ስብሒ እዚ እቶም ጐዳእቲ ንጥረ-ነገራት ንኽምንጭዉ ዝገብር ምዃኑ እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ ቅርጺ ኣካላትና ዝዀነ ይዅን ብዘየገድስ ካብ መጠን ንላዕሊ ስብሒ ሳዕቤኑ ሕማቕ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብዙሓት ደቀንስትዮ ንገዛእ ርእሰን ቅርጺ \"ቍጽሪ ሸሞንተ\" ኰይነን ንኽርኣያ ዝፈትዋ'ኳ እንተዀና፡ ብ3D ስካን ኣካላት ዝተገብረ መጽናዕቲ ግን ካብዚ ዝተፈልየ ታሪኽ እዩ ዝነግረና። ኣብ ማንቸስተር ዝነብሩ ተመራመርቲ ነዘን ማሽናት እዚኣተን ተጠቒሞም 240 ብሪጣንያውያን ደቀንስትዮ ስካን ምስ ገበሩ፡ 63 ሚእታዊት ካብዚኣተን ተመሳሳሊ መጠን ደረት፡ ሽምጢን መንኵብን ዘለወን፡ ዳርጋ ርቡዕ ኵርናዕ ኰይነን ተረኺበን። 13 ሚእታዊት ጥራይ \"ቍጽሪ ሸሞንተ\" ቕርጺ ዘለወን ክዀና እንከለዋ፡ እተን ዝተረፋ ኸኣ 8 ሚእታዊት \"ሉል\"፡ 7 ሚእታዊት \"ማንካ\" (ተመሳሳሊ ቅርጺ ደረትን ሽምጢን ዘለወን)፡ 6 ሚእታዊት፡ \"ዝተገልበጠ ስሉስ ኩርናዕ\" ከምኡ'ውን 3 ሚእታዊት \"ስሉስ ኵርናዕ\" ቅርጺ ዘለወን እየን። ብዘይካ'ዚ ደቀንስትዮ ብዕድመ እናደፍኣ ክኸዳ እንከለዋ፡ ቅርጺ ርቡዕ ኵርናዕ እናዀና እየን ዝኸዳ፣ 80 ሚእታዊት ልዕሊ 56 ዝዕድሚአን ደቀንስትዮ ኣብዚ ምድብ እዚ ይኣትዋ። ጋይናኮማስትያ ተባሂሉ እውን ዝጽዋዕ “ጡብ ወዲ ተባዕታይ\"፡  መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ከብድን መንከስን ዝተሓሓዝ'ኳ እንተዀነ ከምቲ ዝርኣዮ ሉስሉስ ኣይኰነን። መብዛሕትኡ ግዜ'ውን ብሰንኪ ዕቤት ጡብ እዩ ዝመጽእ። ሓደሓደ ግዜ እቶም ካብ መጠን ንላዕሊ ክብደት ዘለዎም ሰብኡት፡ ናይ ኣንስተይቲ ሆርሞን ኦስትሮጅን ስለ ዘፍርዩ እዮም ነዚ ዘማዕብሉ። እዚ ሆርሞን እዚ ኸኣ ንዕቤት ጡብ የነቓቕሕ። ቴስቶስተሮን መብዛሕትኡ ግዜ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዕብየት ዝዓግት'ኳ እንተዀነ፡ ዕድመ ደቂተባዕትዮ እናወሰኸ ክኸይድ ከሎ መጠን ቴስቶስተሮን ብኣንጻሩ ይንኪ እዩ። ምንጪ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ። ኣብ ጾታዊ ርክብ ስቡሓት ሰብኡት ካብ ቀጠንቲ ንላዕሊ ነዊሕ ይጸንሑ። ዓበይቲ ሰብኡት ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ብሰለስተ ዕጽፊ ዝዛድ ሓይሊ ኣለዎም። ኣብ 200 ሰብኡትመጽናዕቲ ዝገበሩ ቱርካውያን ተመራመርቲ፡ እቶም ዝለዓለ BMIን ጽሩይ ከስዐን ዘለዎም ሰባት፡ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ብገምጋም 7.3 ደቒቕ ከም ዝጸንሑ ይገልጹ። እቶም ቀጠንቲ ድማ 2 ደቒቕ ጥራይ እዮም ዝጸንሑ። ቀልጢፎም ድማ ይውድኡ። ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ክብደት ምስዝተሓሓዝ ናይ ቴስቶሰትሮን ምንካይ ክኸውን ይኽእል እዩ። ይዅን እምበር ዓበይቲ ሰብኡት ንነዊሕ እዋን ዝጸንሑ'ኳ እንተዀኑ ፈለማ ግን ኣብ ምልዕዓል ይጽገሙ እዮም። ካብ መጠን ንላዕሊ ክብደት ምስ ወሲባዊ ድኽመት'ውን ይተሓሓዝ እዩ። እዚ ካብ ኢንተርናሽናል ጆርናል ኦቭ ኢምፖንስ ሪሰርች ዝተረኽበ እዩ።","category":"ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2850yxll2o"} {"headline":"ኣሜሪካ፡ ኣብ ሚሲሲፒ ሓደገኛ ባክተርያ ተረኺቡ","content":"ኣብ ገማግም ወሽመጥ ሚሲሲፒ ኣብ ሓመድን ማይን ዘይተለምደ ግን ከኣ ሓደገኛ ዓይነት ባክተርያ ከም ዝረኸቡ ሰበ ስልጣን ጥዕና ኣሜሪካ ገሊጾም። እዚ በርክሆልደሪያ ዝበሃል ባክተሪያ ሜሊዮዶሲስ ዝበሃል ከቢድ ሕማም ዘስዕብ እዩ። እቲ ሕማም፡ ምሉእ ጥዕና ኣብ ዘለዎም ሰባት ከቢድ ጸገም ከም ዘየስዕብን ብጸረ ነፍሳት ክፍወስ ዝኽእልን እዩ። ይዅን እምበር ከም ሽኮርያን ከቢድ ሕማም ኵሊትን ዝኣመሰሉ ሕዱር ሕማማት ዘለዎም ሰባት፡ እዚ ሜሊዮዶሲስ ዝተባህለ ሕማም ከጥቅዖም ይኽእል። ኣብዚ እዋን እዚ ሓኻይም ዝሓመመ ሰብ እንተጋጠመ ብዝብል ብንቕሓት ይከታተሉ ኣለው። ማእከል ቍጽጽር ሕማም ኣሜሪካ (CDC) ኣብቲ ከባቢ ዝቕመጡ ነበርቲ፡ ነዞም ዝስዕቡ ምኽሪታት ኣስተብሂሎም ዝያዳ ጥንቃቐ ንኽገብሩ ይላበው፤ \"ኣብ ኣሜሪካ፡ ቍጽሪ'ቶም በቲ ሕማም ዝተታሕዙ ሰባት ሒደት ከምዝዀነ ጸብጻባት ይሕብሩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው CDC፡ እቲ ሕማም ሜሊዮዶሲስ ንህዝቢ ሓደጋ ዝዀነሉ ተኽእሎታት ኣዝዩ ትሑት ከምዝዀነ ይኣምን፡” ክብል እቲ ትካል እምነቱ ገሊጹ። ኣብ መላእ ዓለም መብዛሕትኡ ግዜ፡ በቲ ሕማም ዝሓመሙ ሰባት እቶም ባክተርያ ብባህርያዊ መገዲ ኣብ ዝርከበሉ ከም ደቡብን ደቡባዊ ምብራቕን እስያን ሰሜናዊ ኣውስትራልያን ዝኣመሰለ ከባቢ ዝነብሩ ወይ ናብኡ ዝተጓዕዙ ሰባት እዮም። ጠንቂ ሜሊዮዶሲስ ምስ ካብ እቲ ሕማም ዝርከበሎም ሃገራት ዝመጽኡ ዝተበከሉ ንግዳዊ ፍርያት እውን ዝተተሓሓዘ እዩ። ብ2021 ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ኣርባዕተ ግዝኣታት ኣርባዕተ ሰባት ብሰንኪ ናብታ ሃገር ዝኣተወ ዝተበከለ ኣሮማተራፒ ዝበሃል ፈሳሲ ሓሚሞም እዮም። እቲ ኣብ ሚሲሲፒ ዝተገብረ ምርመራ ሓመድ፡ መንቀሊኡ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ክልተ ምስቲ ሕማም ዝርከበሉ ቦታታት ርክብ ዘይብሎም ሰባት ሜሊዮዶሲስ ሓሚሞም ስለ ዝተረኸቡ እዩ። ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝዝርጋሓሉ ኵነታት ኣዝዩ ሳሕቲ እዩ ዘጋጥም። ሰበ ስልጣን ጥዕና፡ ክልቲኦም ዝሓመሙ ሰባት ኣብቲ ዝነብሩሉ ኣባይቲ ከባቢ ናይ ዝርከብ ሓመድን ማይን መርኣያታት ዝመርመሩ ክዀኑ እንከለው፡ እቲ ባክተሪያ ኣብ ሰለስተ መርኣያታት ተረኺቡ እዩ። እቲ ባክተርያ እንተወሓደ ካብ 2020 ኣትሒዙ ኣብቲ ከባቢ ከም ዝነበረ ድማ እቲ ውጽኢት ይሕብር። ሜሊዮዶሲስ ከም ረስኒ፡ ቃንዛ መላግቦ፡ ሕማም ርእሲ ከምኡ'ውን ጸገማት ሳንቡእን ጸገማት ረኽሲ ደምን ዝኣመሰሉ ምልክታት ከስዕብ ይኽእል እዩ።","category":"ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3g4znd22d6o"} {"headline":"ኣብ ትግራይ ከቢድ ስግኣት ጥዕና ዝፈጠሩ 3 ተላባዕቲ ሕማማት","content":"ኣብ ትግራይ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ሰለስተ ሕማማት ማለት ኣንትራክስ፡ ሕማም ዕቡድ ከልብን ዓሶን ኣሰካፊ ኣብ ዝበሃል ደረጃ በጺሖም ምህላዎም ቢሮ ጥዕና 'ቲ ክልል ንቢቢሲ ገሊጹ። ካብቲ ቢሮ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ነቲ ኲናት ስዒቡ ብሰንኪ ዝተነብረ ዕጽዋ፡ ዋሕዲ መድሃኒትን ምድኻም ኣገልግሎታት ጥዕና 'ቲ ክልል፣ ከምኡ'ውን ምቍራጽ መራኸቢታትን ዋሕዲ ቀረባትን ካልኦት ምስኡ ተኣሳሲሮም ዝማዕበሉ ጸገማትን ጠንቂ ምስፍሕፋሕ እዞም ሕማማት ኰይኖም ኣለው። በዚ መሰረት፡ ቢሮ ጥዕና ትግራይ፡ ነዞም ሰለስተ ሕማማት ዝምልከት ዘቕረቦ ዝርዝር ሓበሬታ ብኸምዚ ዝስዕብ ይቐርብ፤ ኣንትራክስ ኣብ ትግራይ መገረም ብዝብል ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ሓደ ካብቶም ብቕልጡፍ ክትፈልጦምን ንሰብ ሞያ ጥዕና ክትሕብሮምን ዝከኣሉ ሕማማት እዩ። ኣብዚ ዓመት (2022) ኣብ ወረዳ ናዕዴር ዓዴት - ዞባ ማእከል ኣብ ሰሙን 10 ሰባት ከምዝተትሓዙ ዘመልክት ፀብፃብ ዝቐረበ ኰይኑ፤ ካብኡ ንደሓር ድማ ኣብተን ናብ ክልላዊ ኣብያተ ጽሕፈት ጥዕና ጸብጻብ ክልእካ ዝኸኣላ ዝተፈላለያ ወረዳታት ብርክት ዝበለ መልከፍቲ ከምዘጋጠመ ተፈሊጡ። \"ብ10 ሰነ 2022 ዓ.ም ኣብ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ካብ ዝርከባ ጣብያታት ዓዲ-ገሽቲን ዓዲ-ሓበሳይን ከምኡ’ውን ዞባ ሰሜን ምዕራብን  ምብራቕን፡ ሞትን ኣብ ሰብን እንስሳን ዘጋጠመ መልከፍትን\" ዝብል እቲ ቢሮ ሓበሬታኡ ይህብ። ነዚ ስዒቡ ድማ ካብ ትካል መግብን ሕርሻን ዓለም (FAO)፡ ቤት ጽሕፈት ሕርሻን ልምዓት ገጠርን፡ ከምኡ እውን ቢሮ ጥዕና ዝተወደበ ጕጅለ ብ22 ሰነ 2022 ነቲ ኵነታት መርሚሩ ናይ ምክልኻል ስርሓት ክዓምም ተላኢኹ። ሽዑ እቲ ጕጅለ፡ ምስ እንስሳት ምትንኻፍ ካብ ዝነበሮምን ስጋ ዝበልዑን 120 ሰባት፡ እቶም 34 በቲ ሕማም ከምዝተለኸፉ 2 ድማ ከምዝሞቱ ኣረጋጊጹ። ካብ 30 ጥርጡራት እንስሳ ዘቤት እውን [ከብቲ፡ ኣጣልን ኣእዱግን] 23 ሞት ከምዘጋጠመ ተገንዚቡ። \"ኣብ ዳህሳሶም ናብ  12 ወረዳታት ክበፅሑ ዝፈተኑ ኰይኖም፡ ኣብ መገዶም ድማ 13 ኣንትራክስ ዝተለኸፉ ሰባት [ሓደ ኣብ ላዕላይ ማይጨው 12 ድማ ካብ ቆላ ተምቤን] ረኺቦም\" ይብል ቢሮ ጥዕና ናብ ቢቢሲ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ። ብሰንኪ ጸገም መራኸቢ ግን ጕጅለታት ምሕደራ ህጹጽ ረድኤት ህዝባዊ ጥዕና [Public health Emergency Management (PHEM)] ካብ ትካላት ጥዕናን ኵለን ወረዳታትን ምሉእ ጸብጻብ ክረኽባ ኣይከኣላን። ካብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት 2022 ጀሚሩ ኣብ ዞባታት ማእከል፡ ሰሜናዊ ምዕራብ፡ ደቡባዊ ምብራቕን ምብራቕን ብሓፈሻ 116 ብመልከፍቲ ኣንትራክስ ዝተጠርጠሩ ከምኡ'ውን 7 ሞት ከምዝተመዝገበ ጸብጻብ ቢሮ ጥዕና የመልክት። ቅድሚ ኲናት ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣገባባት ምክልኻልን ምቍጽጻርን ሕማም ዕቡድ ከልቢ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ፡ ጕጅለታት መባእታዊ ክንክን ጥዕና ከምኡ’ውን ሆስፒታላት ትግራይ ተበጻሒ ነይሩ። \"ኣብቲ እዋን በቲ ሕማም ናይ ዝተጠርጠሩን ዘጋጠመ ሞትን ዝሕብር ጸብጻብ ካብ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ትካላት ጥዕና ይቐርብ ነይሩ። ንኣብነት ኣብ 2019 ብሰንኪ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ዘጋጠመ ልዕሊ 3000 መልከፍትን ሞት 5 ሰባትን ተሰኒዱ ይርከብ\" ይብል እቲ ቢሮ ኣብ ሓበሬታኡ። ከም ክታበት ኣኽላባት፡ ምሕደራ ናይ ጐደና ኣኽላባት፡ በቲ ሕማም ንዝተለኸፉ ሰባት ዝግበር ሕክምና፡ ከምኡ’ውን ንቕሓት ህዝቢ ምዕባይ ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ብቐጻሊን ዕውት ብዝዀነ መገድን ይፍጸሙ ነይሮም። ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ እዋን ብሕማም ዕቡድ ከልቢ ዘጋጥም ሞት ናብ ባዶ ንምብጻሕ ይስራሕ ከምዝነበረ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ የመልክት። \"ይዅን እምበር ነቲ ኲናት ስዒቡ ብዝተፈጠረ ቅልውላውን ዘጋጠመ ዕጽዋን፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘጋጥም መንከስቲ ከልብን ዝኽሰት ሞትን ዝምልከት ፀብፃብ ኣብ ትሕቲ 12 ሚእታዊት ትካላት ጥዕና ትግራይ ጥራሕ ተሓጺሩ ይርከብ። እዚ ድማ ምስቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ልዕሊ 90 ሚእታዊት እንትነፃፀር፤ ኣዝዩ ትሑትን ዘይምሉእነትን የመልክት\" ክብል ብምንጽጻር ኣቐሚጡ'ሎ። \"ኣብዚ እዋን ብዙሓት ወግዓውን ዘይወግዓውን ጸብጻባት መንከስቲ ከልብን ብሰንኩ ዘጋጠሙ ሞትን ናብ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ይመፅኡ ኣለዉ” ዝብል ቢሮ ጥዕና ትግራይ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተነበረ ዕጽዋ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ንኣኽላባት ዝኸውን ክታበት፡ ወናኒ ዘይብሎም ኣኽላባት ንምውጋድ ዝውዕል ‘ስትሪክኒን’ ዝበሃል ከሚካል ከምኡ’ውን ተለኺፎም ንዝሓመሙ ኣባላት ማሕበረሰብ መሐከሚ ዝኸውን መድሃኒት ቀረብ ከምዘየለ ሓቢሩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ 11 ወረዳታት ትግራይ 41 ሰባት ብሰንኪ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ሞይቶም ኣለዉ። ከምኡ’ውን ንዝሓመሙ ሰባት ዝኸውን መድሃኒት  ብዘይምህላዉ ብዙሓት መልከፍቲ ዘጋጠሞም ኣብ ገዛኦም ኰይኖም ባህላዊ ሕክምና ይገብሩ ወይ ናብ ባህላዊ ሓኪም ክኸዱ ይግደዱ። ኣብ ትግራይ፡ ብኸባቢ ኣስታት 75 ሚእታዊት፡ ብመንጽር ህዝቢ ድማ እቲ 70 ሚእታዊት ንሓደጋ ዓሶ ዝተቓልዐ ከም ዝዀነ ጸብጻብ ጥዕና እቲ ክልል የመልክት። ምትሕልላፍ ዓሶ ብግዜን ቦታን ኣዝዩ ይፈላለ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ዓሶ ኣብ ክልተ ወቕትታት’ዩ ብዝለዓለ ደረጃ ዝርአ። እቲ ብስፍሓት ዝረኣየሉ እዋን ካብ መስከረም –ታሕሳስ ክኸውን እንከሎ፡ ካብ ሚያዝያ-ግንቦት 'ውን ይርአ እዩ። ኣብቲ ክልል ናይ መወዳእታ ለበዳ ካብ መጋቢት ክሳብ ሚያዝያ 2017 [ኣ.ኤ] ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ዝተመዝገበ እዩ ነይሩ። ንዕኡ ስዒቡ ትግበራ ስትራተጂታት ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማም ዓሶ ብግቡእ ስለዝተፈጸመ ካብቲ እዋን ንደሓር ለበዳ ሕማም ዓሶ ተራእዩ ኣይፈልጥን። ዓሶ ኣብ ትግራይ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ጠንቅታት ሕማም እዩ። ንዝሓመሙ ውልቀሰባት ግቡእ ክትትልን ሕክምናን ምግባር ድማ ዝርግሐ እቲ ሕማም ደው ኣብ ምባልን ዝስዕብ ሞት ኣብ ምንካይን እጃም ኣለዎ። ይዅን እምበር ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ኲናት ግቡእ ኣገልግሎት ስለዘየለ፡ ቀረባት ሕክምና ብዘይምህላውን ስሩዕ ክትትል ስለዘይግበርን ሰፊሕ ዝርግሐ ሕማም ዓሶን ሞትን ይምዝገብ ኣሎ። ብኣጋኡ ምፍላጥን ሓበሬታ ሕሙማት ምርካብን ነቲ ለብዒ ኣብ ምግታእ ይዅን ህይወት ሰባት ኣብ ምድሓን ወሳኒ ግደ ኣለዎ። ይዅን እምበር ብሰንኪ’ቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ምቍራጽ መራኸቢታት ከምኡ’ውን ዘይምሉእነት ጸብጻባትን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ዘሎ ሓቀኛ ሓበሬታ ዝርግሐ ዓሶ ምርካብ ኣጸጋሚ ኰይኑ’ሎ። ካብ ካልኣይ ሰሙን ወርሒ ሰነ 2022 ጀሚሩ ዓሶ ብመልክዕ ለበዳ ይዝርጋሕ ከምዘሎ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ይሕብር። እቲ ለበዳ ድማ ኣብ ቀበሌ ዓዲ ሂደም፡ ነበለት፡ ወርቅኣምባ፡ ወረዳ ቀይሕ ተኽሊ ከምዝዀነ ናብቶም ከባቢታት ዝተዋፈሩ መሻርኽቲ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ይገልጹ። ድሕሪ’ቲ ካብ መሻርኽቲ ዝተረኸበጸብጻብ፡ ጕጅለ ክኢላታት ናብቶም ከባቢታት ብምልኣኽ ንዅነታት እቲ ለበዳ ኣጽኒዖም’ዮም። \"ንጕዕዞ እቲ ጕጅለ ዘድሊ ነዳድን ፋይናንሳዊ ደገፍን ብቤት ጽሕፈት ውድብ ጥዕና ዓለም ጨንፈር መቐለ ዝተሸፈነ ኰይኑ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳድን ግዜን ግን ቀንዲ ጠንቅ እቲ ለበዳ ከለልዩ ኣይከኣሉን። ኣብተን ወረዳታት ክውሰድ ዝነበሮ ግብረ-መልሲ ለበዳ’ውን ብሰንኪ ቀረብ ነዳድን ፋይናንሳዊ ጸገማትን ተደናጒዩ ኣሎ\" ይብል እቲ ቢሮ። ክሳብ 23 ሓምለ 2022 ኣብ ዝነበረ እዋን ልዕሊ 10 ወረዳታት ትግራይ ለብዒ ሕማም ዓሶ ከምዝተራእየን ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ለብዒ ዝተረኣየለን ከባቢታት ድማ ጸረ-ዓሶ መድሃኒትን ካልኦት ቀረባት ሕክምናን ዘይብለን ብምዃነን ነቲ ኵነታት የጋድዶ። ነቲ ለብዒ ብኣጋ ምቍጽጻር እንተዘይተኻኢሉ ዓሶ ብስፍሓት ዝረኣየሉ እዋን ይመጽእ ብምህላዉ ናብ ብዙሕ ከባቢታት ክዝርጋሕ ከምዝኽእል ቢሮ ጥዕና ትግራይ የተሓሳስብ።","category":"ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4nxe403l8zo"} {"headline":"ኣብ ኣፍሪቃ ብህይወት ናይ ምንባር ዕድል ብ10 ዓመት ወሲኹ","content":"ኣብ ኣፍሪቃ ብህይወት ናይ ምጽናሕ ዕድል ካብቲ ዝነበሮ ናይ ዓሰርተ ዓመት ወሰኽ ከምዘርኣየ ተገሊጹ። ኣብቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ዘካየዶ መጽናዕቲ ኣብ ኣፍሪቃ ሓደ ሰብ ብማእኸላይ 46 ዓመታት ይነብር ከምዝነበረ ዘመላኸተ ኮይኑ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን እቲ ቁጽሪ ብዓሰርተ ዓመት ወሲኹ ናብ 56 ዓመታት ክብ ከምዝበለ ኣፍሊጡ። ኣብ ኣፍሪቃ ዝሓሸ ኣገልግሎት ጥዕና ብምዝርግሑ እቲ ለውጢ ከምዝተርኣየ ዝገለጸ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እንተኾነ ግን እቲ ለውጢ ምስ ናይ ዓለም ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ትሑት ከምዝኾነ ዕላዊ ገይሩ። ብደረጃ ዓለም ሓደ ሰብ ናይ ምንባር ዕድሉ ብማእኸላይ 64 ዓመት ከምዝኾነ ይንገር። ናይ ሓደ ሰብ ብህይወት ናይ ምንባር ተኽእሎ ብዕድመ፣ ጾታን ሃገርን ተገምጊሙ ዝካየድ መጽናዕቲ’ዩ። ውድብ ጥዕና ዓለም እቲ ሓድሽ ዕላዊ ዝገበሮ መጽናዕቲ ኣብ 47 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተኻየደ ኮይኑ ካብ 2ሽሕ ክሳብ 2019 [ኣቆጻጽራ ፈረንጂ] ኣብ ዘሎ ግዜ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዝኾነ ተፈሊጡ። እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝተርኣየ ወሰኽ ብህይወት ናይ ምጽናሕ ተኽእሎ ካብ ካልኦት ክፋላት ዓለም ዝዓበየ ከምዝኾነ ዝሓበረ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እንተኾነ ግን እቲ ዕብየት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክጉተት ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።","category":"ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c80qrxklp7lo"} {"headline":"ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ብኮቪድ ተለኺፉ","content":"ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ብኮቪድ-19 ከም ዝተለኸፈን ኣብ ዋይት ሃውስ ርእሰ-ግልላ ጌሩ ከምዘሎን ተገሊጹ። ኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ካሪንዣን-ፒየር፡ ምሉእ ክታበት ዝተኸትበን ኣበራታዒ (booster) እውን ዝወሰደ ወዲ 79 ዓመት ጆ ባይደን \"ኣዝዩ ፈኲስ ምልክታት\" እንተርየ'ውን ስርሑ ከምዝቕጽል ገሊጻ’ላ። እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ፕረዚደንት ፓክስሎቪድ ዝበሃል ጸረ-ቫይረስ መድሓኒት ይወስድ ከምዘሎ'ውን ወሲኻ ሓቢራ። ሚስተር ባይደን \"ደሓን\" ከም ዝኾነን \"ኣብ ስራሕ\" እውን ከምዘሎን ኣብ ትዊተር ሓቢሩ። ቀዳመይቲ እመቤት ጂል ባይደን ግና ብኮቪድ ከም ዘይተለኸፈት ገሊጻ’ያ። እቲ ፕረዚደንት ካብ ኮቪድ ናጻ ክሳዕ ዝኸውን ካብ ካልእ ሰብ ተፈልዩ ስራሕቱ ከምዘካይድን ብተሌፎንን ዙምን ኣቢሉ ድማ ኣብ ኣኼባታት ከምዝካፈልን ሚስ ዣን-ፒየር ሓቢራ። ኣብ ዋይት ሃውስ ኣተሓባበሪ ኮቪድ ዶ\/ር ኣሺሽ ጂሃ፡ እቲ ፕረዚደንት ብደረቕ ሰዓልን ጸረርታን ከምእተሸገረ ገሊጹ። ዣን-ፒየር፡ ጕጅለ ጥዕና ዋይት ሃውስ ረቡዕ ናብ ማሳቹሰትስ ኣብ ዝተገብረ ምብጻሕ ምስ ሚስተር ባይደን ንዝነበሩ ዅሎም ኣባላት ኮንግረስን መራኸቢ ብዙሓንን ብዛዕባ እቲ ኩነታት ክፈልጡ ከምዝገብሩ ሓቢራ። እቲ ፕረዚደንት \"ደሓን ከምዘሎ\" ዝገለጸት ቐዳመይቲ እመቤት ሚስስ ባይደን \"መደባተይ ክሕሉ እየ። ብመሰረት መምርሒታት ሲዲሲ ማስኬራ ይገብር ኣለኹ\" ኢላ። ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ንመሰላት ምንጻል ጥንሲ ኣብ ዝምልከት ጕዳይ ክትሳተፍ ኣብ ሰሜን ካሮሊና ትርከብ። ሚስተር ባይደን ብሰንኪ እቲ ሕማም ሓላፍነቱ ክዋጸእ እንተዘይክኢሉ ሓላፍነታት እቲ ፕረዚደንት ክወሃባ እዩ። እዚ ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ ፕረዚደንት ባይደን ስሩዕ ናይ ጥዕና መርመራ ኣብ ዝግበረሉ ዝነበረ እዋን ሓፈሻዊ መደንዘዚ ምስ ተውሃቦ፡ ንሓጺር እዋን ተጌሩ ዝነበረ እዩ። ሚስተር ባይደን ብኮቪድ ዝተለኸፈ ናይ መጀመርታ ፕረዚደንት ኣይኮነን። እቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጥቅምቲ 2020 ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኸሎ በቲ ቫይረስ ድሕሪ ምሕማሙን ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስደን ይዝከር። ብመሰረት ሓበሬታ ማእከል ምቍጽጻርን ምክልኻልን ሕማም (ሲዲሲ) ኣብ ኣሜሪካ 89.7 ሚልዮን ሰባት ብኮቪድ ተታሒዞም ነይሮም። ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ድማ ከም ዝሞቱ ይፍለጥ። ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ትካል ኣብ ኣሜሪካ ብዝሒ ብኮቪድ ዝልከፉ ሰባት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብ25 ሚእታዊት ወሲኹ ኣሎ።","category":"ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3g4vg183r1o"} {"headline":"ጋና ሓደገኛ ተላባዒ ቫይረስ ከምዝረኸበት ኣረጋጊጻ","content":"ጋና፡ ንመጀመርታ ግዜ ማርበርግ ብዝተባህለ ሓደገኛ ተላባዒ ቫይረስ ዝተጠቕዑ ክልተ ሰባት ከምዝረኸበት ኣረጋጊጻ። እዚ ቫይረስ፡ ከም ቫይረስ ኢቦላ ሓያል ሕማም ረኽሲ ዘስዕብ ቫይረስ እዩ። እቲ ሓበሬታ፡ ክልቲኦም ሕሙማት ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ደቡባዊ ዞባ ኣሻንቲ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ከም ዝሞቱ ይገልጽ። እቲ ውጽኢት መርመራኦም፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ'ዚ ብቫይረስ ማርበርግ ከም ዝተጠቕዑ የርኢ። እንደገና'ውን ኣብ ሰኔጋል ኣብ ዝርከብ ላብራቶሪ (ቤተ - ምርምር) ተረጋጊጹ ኣሎ። ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዘለዉ ሰበ-ስልጣን ጥዕና፡  ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ቫይረስ ከምዘለዎም ዝተጠርጠሩ 98 ሰባት ከምዝተወሸቡ ይገልጹ። ንቫይረስ ማርበርግ ዝኸውን ሕክምና'ኳ እንተ ዘየለ፡ ሓካይም ግን እዅል ማይ ምስታይን ንዝተወሰነ ምልክታት ክንክን ምግባርን ነቲ ሕሙም ብህይወት ንኽቕጽል ዘለዎ ዕድላት ከም ዘመሓይሾ ይገልጹ። እቲ ቫይረስ ካብ 'ፍሩት ባትስ' ዝበሃላ ዓሌት መንካዕ ናብ ሰባት ይመሓላለፍ፤ ብኣካላዊ ፈሳሲ ድማ ኣብ መንጐ ሰባት ይዝርጋሕ። ከም ሕማም ርእሲ፡ ረስኒ፡ ቃንዛ ጭዋዳታት፡ ደም ዝሓወሰ ተምላስን መድመይቲን ዝኣመሰለ ምልክታት ዘለዎ ከቢድን መብዛሕትኡ ግዜ ሞት ዘስዕብን ሕማም እዩ። ሰበ-ስልጣን፡ ሰባት ካብ በዓትታት ክርሕቁን፡ ዝዀነ ስጋን ስጋ ቅድሚ ምብልዖም ተጠንቂቘም ክኽሽኑን የጠንቅቕዎም ኣለዉ። ኣብ ኣፍሪቃ ኣቐዲሙ ኣብ ኣንጎላ፡ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኬንያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ኡጋንዳን ሓሓሊፉ ዘጋጠመ ለበዳታትን ሕማማትን ከምዝተራእየ ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ። ለበዳ ቫይረስ ማርበርግ ንመጀመርታ ግዜ ዘጋጠመ ኣብ 1967 ኣብ ጀርመን እዩ ነይሩ፤ ሸውዓተ ሰባት ድማ ሞቱ። እቲ ቫይረስ ኣብ 2005 ኣብ ኣንጎላ ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝቐተለ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።","category":"ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c514ylvj472o"} {"headline":"ስነኣእምሮኣዊ ምዝባዕ ክልተ ጫፍ ስምዒታት","content":"ኢለኒ ኣብ 10ታት ዕድሚኣ ባሕሪ ሰጊራ፡ ኣብ ሃገረ ፈረንሳ ንኽትመሃር ዕድል ረኺባ። ኣብ ፈረንሳ ዝነብር ኣኮኣ፡ ካብ ስድራቤቱ ሓደ ወሲዱ ከምህር ከምዝደሊ ምስ ተዛረበ፡ ኢለኒ ተመሪጻ። ዘመድ ኣዝማድ ብሃንቀውታ ዝተፀበይዎ ዘሐጕስ ዕድል እዩ ነይሩ። \"ምስ ከድኩ ፈተና ሻምናይ ክፍሊ ኣይወሰድኩን። ገና ቘልዓ ስለ ዝነበርኩ ጥራይ ዘይኰነ፡ እቲ ህዝቢ ፈረንሳይኛ ስለዝዛረብ ፈለማ ከቢድ እዩ ነይሩ\" ትብል ነቲ ኵነታት ክትዝክር እንከላ። ኣብኡ ንኣርባዕተ ዓመት ተማሂራ። ኢለኒ ንሳን ስድራቤታን ጽኑዓት ሃይማኖተኛታት ከምዝዀኑ እያ ትገልጽ። ብኣገላልጻኣ፡ \"ዓቃባውያን\" ዝበሃሉ ዓይነት ስድራ እዮም። ኣኮኣ ወጻእተኛ ተመርዕዩ ሓዳር ዝመስረተ ስለዝነበረን፡ ኢኣማኒ [ኤቲስት] ስለዝዀነን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢለኒ ዝወርድ ጸቕጢ ኣጋዲድዎ እዩ። እዚ ባህላዊ ጥሕሰት ኣእምሮ ኢለኒ ምጻር ዝሰኣኖ ከቢድ ጾር ኰነ። በቲ ሓደ ሸነኽ ትምህርቲ፡ በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን እቲ ባህላዊ ፍልልያት ሓያሎ ጸቕጢ ፈጢሩላ። ኵሉ ተደማሚሩ ድማ ንሕማም ስለዘቃልዓ፡ ሆስፒታል ኣተወት። ድሕሪ ሰለሰተ ወርሒ ካብ ሆስፒታል ወጺኣ፣ ኣደኣ’ውን ተጸዊዓ መጽኣታ። ገና ጐርዞ ጓል 18ን 19ን ከላ ብስነኣእምሮኣዊ ምዝባዕ ክልተ-ጫፍ ስምዒታት 'ባይፖላር ዲስኦርደር' ከም ዝሓመመት ፈለጠት። ኵነታታ ኣብ ወጻኢ ሃገር ክትጸንሕን ትምህርታ ኽትቅጽልን ኣየኽኣላን፤ ምስ ኣደኣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክትምለስ ከኣ ግድን ነበረ። ብድሕሪኡ ትምህርታ ኣቋሪጻ ንሓደ ዓመት ሕክምናዊ ክትትል እናገበረት ጸንሐት። \"ኣብቲ ግዜ ንወጻኢ ሃገር ክትከይድ ዕድል ምርካብ ሎተሪ ከም ምዕዋት እዩ ዝርአ ነይሩ። ነዚ ዕድል እዚ ረኺበ፡ ግን ከኣ ናይ ኣእምሮ ሕምምቲ ኮይነ ክምለስ እንከለኹ እቲ ዝስምዓኒ ጸቕጢ ቀሊል ኣይነበረን። ንዓይ ይዅን ንስድራ ቤተይ ዓቢይ ፀገም ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ ነይሩ፡\" ትብል። ንሳ ጥራይ ዘይኰነትስ ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ሰባት'ውን ሓሳብ ይህቡ እዮም። ገሊኦም ኣባላት ስድራቤታ 'እዚ ኣጋጣሚ እዚ እንተ ዝወሃበኒ ነይሩ' ክብሉ ትሰምዕ። ወፃኢ ሃገር ናይ ምኻድ ዕድል ረኺባ ከም ዘይተጠቐመትሉ ተገይራ ክትረአ እንከላ ነቲ ጸቕጢ መሊሱ ኣጋዲድዎ። \"መድሃኒት ንሓደ ዓመት ክሳዕ ዝለምድን ክሳዕ ዝሃድእን ካብ ቤት ትምህርቲ ርሒቐ ነይረ።\" ድሕሪ ሓደ ዓመት ግን ናብ ቤት ትምህርቲ ተመሊሳ፣ ማትሪክ ወሲዳ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ውጽኢት ረኺባ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ዝነበራ ጻንሒት እውን ላዕልን ታሕትን ዝበዝሖ እዩ ነይሩ። ፈተና ኣብ ዝህልወሉ እዋናት ጭንቀት ስለዝብርትዓ ትወስዶ ዝነበረት መድሃኒት ይልወጠላ ነይሩ። ሓደ ሓደ ግዜ ድቃስ ይኣብያ፣ ሕጽረት መድሓኒት ኣጋጢሙ መድሃኒት እንተ ተለዊጡላ ኸኣ እቲ ሕማም ከም እንደገና ይልዓል። ብምኽሪ ሰብ ሞያ ሕክምና፣ ብስድራ ቤታ ከምኡ’ውን በቲ እትወስዶ ዝነበረት መድሃኒት ተሓጊዛ ትምህርቲ ቀዳማይ ዲግሪ ወዲኣ። \"ኣብ ባንክ እየ ዝሰርሕ ነይረ። ጸኒሐ ግን ሞያ ፋይናንስ ጻውዒተይ ከምዘይኮነ ምስፈለጥኩ ሶሲዮሎጂ ተማሂረ ሞያይ ቀይረ። \" ከምኡ እናበለት ከኣ ነቲ ሕማም ለሚዳቶ። ባይፖላር ዲስኦርደር ምልውዋጥ ስምዒታት እዩ። እቲ ሕማም ክልተ ጫፋት ዘለዎ ኰይኑ እቲ ሓደ ሕሉፍ ጭንቀት (depression) እቲ ኻልኣይ ከኣ ሕሉፍ ሓጐስ እዩ። እዚ ሕማም እዚ ዘለዎ ዝዀነ ይዅን ሰብ ኣብ መንጐ ክልተ ጫፍ ስምዒታት ኣቓልቦኡ ይስረቕ። ጭንቀት ክጸዓኖ እንከሎ ካብኡ ንኽወጽእ መድሃኒት ይወሃቦ። ካብቲ ናይ ሓቂ ዓለም ምእንቲ ከይባተኽ ከኣ ካልእ መድሃኒት'ውን ሓዊስካ ከም ዝወስድ ይግበር። ኢለኒ ዝተፈላለየ ዓይነት ሕውስዋስ መድሃኒት ከም ትወስድ እያ እትገልጽ። ሓደ ኣብ ጭንቀት (depression) ዘሎ ሰብ ንነገራት ብኣሉታዊ ሸነኽ ጥራይ ምርኣይ፣ ክንቀሳቐስን ክሰርሕን ዘይምኽኣል፡ ዓቕሚን ድቃስን ምስኣን፣ ሸውሃት ዘይምህላው፣ ዓቕሚ እንተሃለዎ’ውን ምንቅስቓስ ዘይምኽኣል ዝኣመሰሉ ምልክታት የርኢ። እቲ ካልኣይ 'ተርባጽ' ወይ ከኣ (manic) ዝበሃል እዩ። ከምዚ ዝበለ ስምዒታዊ ስቓይ ዘለዎ ሰብ ኣዝዩ ሓያል ሓይሊ ኣለዎ። ኣይድቅስን እዩ። ዝተጋነነ ዓቢይ ርእሰ-ተኣማንነት ይህልዎ። ኢለኒ \"ንርእሰይ ካብ ፈጣሪ ፍሉይ መዝነት እተዋህቦ ሰብ ገይረ እየ ዝርእያ። ብዙሕ ሓጐስ ይስምዓኒ። ምስ ሰብ ክዘራረብን ክመያየጥን ዓቕሚ ኣለኒ፡\" ትብል። ካልእ ግዜ ክትሰርሖ ዘይትደፍር ነገር ሽዑ ከምትሰርሖን ገንዘብ ከምተባኽንን ትገልጽ። \"ኵሉ ግዜ ንዅሉ ሰብ ምሃብ እዩ። . . .ርቡጽ ሓጐስ ምስ ረኸብኩ ኣብ ካልእ እዋን ከኣ ናብ ስንጭሮ ጭንቀት ዝኣተኹ ኰይኑ ይስምዓኒ።\" ኣብ ሓደ ክልተ ስምዒታዊ መዳይ ዝጠሓለ ሰብ ዝወሃቡ ሕውስዋስ መድሃኒት ጠባዮም ንኸተዓራርዩ ይሕግዞም እዩ። ኢለኒ ናብ ጭንቀት ክትኣቱ ከላ ስራሕ ምስራሕ ዘይእምኽኣልን ኣትኵሮ ምስኣንን የፀግማ ከምዝነበረ ትዛረብ። ካብ ስምዒታ ንኽትላቐቕ ዘኽእላ መድሃኒት ጥራይ ዘይኰነስ ምኽሪ ሰብ ሞያ ሕክምና'ውን ንኽትሃድእ ከም ዝሕግዛ ትገልጽ። መንቀሊ እዚ ምዝባዕ ስምዒታት እንታይ ከምዝኾነ ዛጊት ኣይተረጋገጸን። ኰይኑ ግን፡ ኣብ ኣባላት ስድራ በዚ ሕማም ዝተጠቕዐ ሰብ እንተሃልዩ፡ እቶም ካልኦት ኣባላት'ውን በዚ ሕማም ክጥቅዑ ዘሎ ዕድል ልዑል ከምዝዀን ሰብ ሞያ ሕክምና ይገልጹ። ኣብ ብዙሓት ሰባት ዘጋጥም፡ ዕድመኦም ልዕል ምስበለ ክኸውን እንከሎ፡ ከም ኢለኒ ኣብ ግዜ ንእስነቶም ዘጋጥሞም'ውን ኣለዉ። ጠንቂ ናይዚ ኣብ ንእስነት ዘጋጥም ተርእዮ'ዚ ሕማም፡ ሰባት ሃንደበት መስመር ሂወቶም ክቕየር እንከሎ፣ ካብ ስድራ ቤት ምርሓቕ ከምኡ’ውን ካብ ትፈትዎ ሰብ ምፍልላይ ወይ ትፈትዎ ሰብ ክመውት እንከሎ ክኸውን ይኽእል። ኢለኒ ከምእትብሎ ምዝባዕ ስምዒታት ዘለዎ ሰብ ዘርእዮም ምልክታት ክልተ ጫፋት እዩ። ምስቲ ሕማም ነዊሕ ስለዝጸንሐት ነቶም ምልክታት ኣቐዲማ ክትፈልጦም ከምትኽእል ትዛረብ። \"ናብ ጭንቀት ዝኣቱ ክመስለኒ ከሎ ጽቡቕ ገይረ እድቅስ። ሽዑ ንሽዑ ስምዒተይ ይለዋወጥ። ካልእ ግዜ ንዘሐጉሰኒ ነገር ሽዑ ስምዒት ኣይህልወንን። ከምዚ ዓይነት ስምዒት ክስማዓኒ እንከሎ ናብ ጭንቀት ይኣቱ ከምዘለኹ ይርድኣኒ።” ንሳ ጥራይ ዘይኮነትስ ስድራ ቤታ’ውን ነቶም ምልክታት ክርእዩ ከለዉ መድሃኒት ምውሳዳን ዘይምውሳዳን ይሓትዋ እዮም። “ንእሽተይ ስምዒት ለውጢ ከርኢ እንከለኹ እቶም መድሃኒታት ስምዒተይ ከስተኻኽል ይሕግዙኒ” ትብል። “እቲ ካልእ ጫፍ ስምዒት ከኣ ከይደቀስኩ እንተተሪፈ፡ ኣእምሮይ ብጣዕሚ ንቝሕ ይኸውን፣ ካልእ ግዜ ዘይደፍሮ ሰብ ብድፍረት ከዛርብ እንተጀሚረ፡ ምስ ኣተሓሕዛ ገንዘብ ዝተኣሳሰር ካልእ ግዜ ዘይገብሮ ነገር እንተገይረ፡ ብህፁፅ ናብ ሕክምና እየ ዝኸይድ።” እዚ ሕማም ካብ ዝዀነ ይዅን ንላዕሊ ርእስኻ ምግታእን ርእስኻ ምግሳጽን ዝሓትት ከምዝዀነ ኢለኒ ትገልፅ። \"ህድእ ዝበለ ሂወት ንምምራሕ ምትዕርራይ ይሓትት እዩ\" ትብል። ብዙሕ ሓጐስ ኣብ ዘለዎ ወይ እቲ ስምዒት ኣብ ዘለዓዕል ቦታ ክጸንሕ ኣይግብኣንን እዩ።\" \"ናብ ዝያዳ ሓጐስ ዝኸይድ እንተሃልየ፡ ከቋርፆ ዘለኒ ርክባት ማሕበረሰብ ኣለዉ ማለት እዩ። ርእሰይ ክገትእ ኣለኒ፡\" ትብል። ኢለኒ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ምስራሕን ኣቓልቦ ምግባርን ከም ዝኣበያ ትዝክር። ሽዑ ነቲ ጭንቀት ዝቕንስ መድሃኒት ተዋሂብዋ። \"ነዚ መድሃኒት እዚ ብግቡእ እንተ ዘይተቘፃፂርናዮ ናብ ዘይተደልየን ብዙሕ ሓጐስ ናይ ምውሳድ ተኽእሎ ኣለዎ። ስለዚ ንእኡ ዝገትእ መድሃኒት ብሓባር ክወስድ ኣለኒ።\" “ብተወሳኺ ሙድ ስታቢላይዘር [ስምዒት ዘረጋግእ] እውን ይወስድ” ትብል። እዞም መድሃኒታት ብሓደ ግዜ ምውሳድ ከም ዝኸብድን ሓደ ሓደ ግዜ ኣየናይ መድሃኒት ክትወስድ ከምዘለዋን ምፍላይ ከምዝሓትት ኢለኒ ትገልጽ። ዝሰማምዓ መድሃኒት ክሳብ ትረክብ ካልእ ምፍታን ከምዘሎ'ውን ትሕብር። ኢለኒ ሕማማ ክለዓላ እንከሎ ስድራ ቤታ ኣብ ጐድና ከምዝዀኑ ትገልጽ። ብፍላይ ምስተመርዓወት ንሰለስተ ዓመት ዝኣክል ከምዘይሓመመት ትዛረብ። ስድራ ቤታ ምልውዋጥ ስምዒት ክህልዋ ከሎ ስለዝፈለጡ ሕክምና ንኽትረክብ ወይ መድሃኒት ንኽትወስድ የዘኻኸርዋ እዮም። ሓደሓደ ግዜ ብፍላይ ሕሙማት ኣብ ዘይክውንነታዊ ስምዒታት ክኣትዉ እንከለዉ፡ ድምጺ ወይ ብሕታዊ ዝርርብ ክህሉ ስለዝኽእል ነዚ ፈልዩ ዝርዳእ እቲ ስድራ ቤት እዩ። ጭንቀት እንተዀይኑ እቲ ዝሓመመ ሰብ ባዕሉ ክፈልጦ ይኽእል እዩ። ሓደ ባይፖላር ዲስኦርደር ጸገም ዘለዎ ሰብ፡ ብዘይ ቈየቛ ሰላም ዘለዎ ህይወት ክነብር ምግባር ኣገዳሲ እዩ። \"ብዙሕ ተጠቒመ እየ፣ ድሕሪ ምምርዓወይ ከኣ ንሰለስተ ዓመት ብዘይ ዝዀነ ምልክት እየ ዝነብር ዘለኹ\" ክትብል ደገፍ ስድራ ቤት ኣገዳሲ ምዃኑ ትገልጽ። ኢለኒ ንሓያሎ ዓመታት ኣእምሮኣዊ ጥዕና ድሕሪ ምርካባ፡ ማሕበር ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ኣእምሮኣዊ ጥዕና መስሪታ እያ። እዚ ማሕበር፡ ንተጠቀምቲ ኣገልግሎት ኣእምሮኣዊ ጥዕና ብስሩዕ ኣባልነት ዝመዝገበ እዩ። ስድራቤታት ሕሙማት ከኣ ናይ ክብሪ ኣባል ክዀኑ ከምዝኽእሉ ትገልጽ። እቶም ኣባላት በብ 15 መዓልቲ ቀዳም-ቀዳም እናተራኸቡ ተመኵሮ ይለዋወጡ። እቲ ዘተ ምስ መድሃኒት ብዘይ ፀገም፡ ምስ ስድራቤት ብዘይ ብድሆታት፡ ኣብ ስራሕ ቦታ ብዘይ ዕንቅፋት ክካየድ ይኽእል። ኣብ ህይወቶም ተመሳሳሊ ተመኵሮ ዘለዎም ሰባት ብዛዕባ ተመሳሳሊ ጸገማት ጥዕናን እቲ ዝሰገርዎ ኣሳልጦን ብዝምልከት ይዛተዩ። ብዛዕባ'ዚ ሕማም ንሓኪምን ንስድራ ቤትን ምንጋር ከፍርሕ ዝኽእል'ኳ እንተዀነ፡ ተመሳሳሊ ጸገም ጥዕና ንዘለዎም ሰባት ምዝርራብ ግን ዓቢይ ዕረፍቲ ከምዘምፅእ ኢለኒ ትገልፅ። ንሳ፡ እቲ ቀንዲ ብድሆ ካብ ሕብረተሰብን ስድራቤትን ዝመጽእ ኣድልዎ ከምዝኾነ፡ እዚ ድማ ናብ ሕክምና ንምኻድ ጸገም ከምዝፈጥርን ተብርህ። ነዚ ኣድልዎን ምግላልን ጥሒሱ ናብቲ ማሕበር ዝመጽእ ሰብ ውሑድ ከምዝዀነ ድማ ትዛረብ።","category":"ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ce4l9e3ne99o"} {"headline":"ዘይጸረየ ኣስናን ጠንቂ ሕዱር ሕማማት ምዃኑ ትፈልጡ'ዶ?","content":"ምጽራይ ኣስናን፡ ብሕዱር ሕማም ንኸይንጥቃዕ ከምኡ'ውን ጥዕና ኣስናንናን ግርጻንናን ንኽሕሎ ይሕግዝ። መብዛሕትና ግን፡ ኣስናንና ነጽርየሉ መገዲ ቅኑዕ ኣይኰነን። መብዛሕትና፡ ምጽራይ ኣስናን ካብ እዋን ቍልዕነትና ጀሚርና'ኳ እንተ ለመድናዮ፡ ምስ ዓበና እውን በቲ ቕኑዕ ኣገባቡ ኣይንገብሮን። ኣብ ብሪጣንያ፡ ዩኒቨርሲቲ በርሚንግሃም በዓልቲ ሞያ ጽገናዊ ሕክምና ስኒ ጆሰፊን ሂርሽፌልድ፡ \"ካብ ሓኪም ስኒ ወይ ሓኪም ጽሬት ኣስናን ወግዓዊ መምርሒ ዘይረኸበ ዝዀነ ይዅን ሰብ፡ ግጉይ ኣጸራርያ እዩ ዝኽተል። ካብ ተመኵሮይ ከም ዝረኣኽዎ እዚ ኣብ ዝዀነ ይዅን ሃገር ዘጋጥም እዩ፡\" ትብል። ኣስናንና ብኸመይ ክነጽሪ ከም ዘለና ዝገልጽ ዝተፈላለየ ሓበሬታ ስለ ዘሎ፡ እዚ ዝገርም ኣይኰነን። ሓደ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ እንተወሓደ፡ 66 ዝተፈላለየን ሓደሓደ ግዜ ኸኣ ንሓድሕዱ ዝጋጮን ምኽሪ ክኢላታት ኣሎ። ዋና ኣካያዲ ስራሕ ትካል ጥዕና ኣፍ ብሪጣንያ ናይጀል ካርተር፡ እዚ \"ንሰባት ኣዝዩ ዘደናግር ኰይኑ ይስምዓኒ\" ይብል። እሞ ደኣ መብዛሕትና እንታይ ኢና እንጋገ ዘለና? ብኸመይ ከ ከነዐርዮ ንኽእል? ሂርሽፌልድ፡ \"መብዛሕትኦም ሕሙማት እቲ ክገብርዎ ዘለዎም ነገር፡ ተረፍ መግቢ ምውጋድ ምዃኑ ይርድኦም እዩ\" ትብል። \"ባክተርያ ካብ ኣስናን ክወጽእ ምግባር ዝያዳ ኣገዳሲ እዩ።\" እዞም ባክተርያ እዚኣቶም ይዅኑ ካልኦት ደቀቕቲ ታህዋስያን፡ ኣብ ውሽጢ ኣፍ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ይዓብዩ'ሞ መጣግ ረቂቕ ሽፋን (ባዮፊልም) የቝሙ። እዚ ምስ ኣስናንና ዝጣበቕ ቀጢንን ድልዱልን ቀጸላ 'ሓንጋ' ኰይኑ፡ ባክተርያን ካልኦት ደቀቕቲ ተህዋስያንን ዝሕዝ እዩ። እዚ ኣስታት 700 ዝተፈላለዩ ዓይነታት ባክተርያ ክሕዝ ዝኽእል ሓንጋ፡ ብቐሊሉ ክጸሪ ከምዘይክእል ሂርሽፌልድ ተረድእ። እዚ ባዮፊልም ብቐንዱ ክለግስ ዘለዎ ካብ ኣስናን ዘይኰነስ ካብ መስመር ግርጻን እዩ። ኣብዚ ቦታ እዚ ኸኣ እዮም ደቀቕቲ ታህዋስያን ናብ ኣካል እቲ ግርጻን ሰሊኾም ብምእታው፡ ነድርን ሕማም ግርጻንን ዘስዕቡ። \"ኣስናንና ምጽራይ\" ዝብል ሓሳብ ግጉይ እዩ። ኣስናንና ዘይኰነስ ግርጻንና ኢና ክነጽሪ ዘለና። ድሕሪኡ ኣስናንና ብቕጽበት እዩ ዝጸሪ\" ትብል ሂርሽፌልድ። ሓደ ካብቲ ንባዮፊልም ንምጽራይ ዝሕግዝ ውጽኢታዊ መገዲ፡ \"ዝተመሓየሸ ባስ ቴክኒክ\" ተባሂሉ ዝፍለየጥ እዩ። እዚ ኸኣ ካብቲ መብዛሕትና ንነዊሕ ግዜ ክንጥቀመሉ ዝጸናሕና ኣገባብ ዝለዓለ ብልሓት ዝጠልብ እዩ። እቲ \"ዝተመሓየሸ ሜላ ባስ\" ነቲ ብራሽ ኣብ ጽፍሒ ስኒ 45 ዲግሪ ኵርናዕ ምግባር ዘጠቓልል እዩ። ነቲ ታሕተዋይ ምንጋጋ ንታሕቲ ጌርካ፡ ነቲ ላዕለዋይ ድማ ንላዕሊ ገጽ ብምግባር፡ ኣብ ትሕቲ ግርጻን ዘሎ ጠበቕ ንምእታው ማለት እዩ። ድሕሪኡ ኣብቲ መስመር ግርጻን ንእሽቶ ምንቅስቓስ ንቕድሚትን ንድሕሪትን ንገብር። እቲ ነጽርየሉ ጸቕጢ ካብ 150-400 ግራም ንላዕሊ ክኸውን ከምዘይብሉ ሂርሽፌልድ ትገልጽ። ኣመና ኣትሪርና እንተጽሪና ብፍላይ ከኣ ተሪር ብራሽ እንተተጠቒምና ኣብ ግርጻን ቁስልን በሰላን ከስዕብ ይኽእል እዩ። እንተቘሲሉ ድማ እቶም ባክተርያ ናብ ሰራውር ደም ንኽኣትዉ ዕድል ይፈጥረሎም። ነቲ ብራሽ ኣብ ልዕሊ እቲ ላዕለዋይ ሽፋን ስኒ፡ ኢናመል፡ ጸቕጢ ገይርካ ምጽራይ ምስ ግዜ ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ። እቶም ብናይ ኢድ ብራሽ ዝጥቀሙ ሰባት፡ ካብቶም ብኤሌክትሪክ ዝሰርሕ ብራሽ ዝጥቀሙ ንላዕሊ ጸቕጢ ይገብሩ፣ ምኽንያቱ እቲ ብኤሌትሪክ ዝሰርሕ ብራሽ ልዑል ጸቕጢ ምስ እትገብር መጠንቀቕታ ይህብ እዩ። ዝተፈላለዩ ማሕበራት ስኒ፡ ኣብ ሓደ እዋን እንተ ወሓደ ንኽልተ ደቒቕ ዝኣክል፡ ኣብ መዓልቲ ክልተ ሳዕ ክነጽሪ ከምዘለና ይላበዉ። እቲ ጸገም ግን መብዛሕትና ክልተ ደቒቕ ኣብ ምግማት ጸገም ኣለና። ዝተፈላለየ መጽናዕትታት ገምጋም ንውሓት እቲ ነጽርየሉ ግዜ ካብ 33 ካልኢት ክሳዕ 97 ካልኢት ከምዝፈላለ ይሕብሩ። 25 ሚእታዊት ዝዀኑ ሰባት ጥራይ ግቡእ ጸቕጥን ምንቅስቓስን ጌሮም ኣስናኖም ከምዘጽርዩ መጽናዕቲ ፕሮፌሰር ካሮሊና ጋንስ ይገልጽ። እንተዀነ፡ ነዚ መፍትሒ ቐሊል እዩ። ኣብ ሞባይልና ዝርከብ መቝጸሪ ግዜ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ኣብ ከም ኣሜሪካ፡ ብሪጣንያን ኣውስትራልያን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብ መዓልቲ ክልተ ሳዕ ኣስናንና ክነጽሪ ከምዘለና ይንገር። ይዅን እምበር ማሕበር ስኒ ህንዲ ሰለስተ ሳዕ (እንተላይ ድሕሪ ምሳሕ) ምጽራይ ጠቓሚ ክኸውን ከም ዝኽእል ይመክር። ከቢድ ጸገማት ጥዕና ኣፍ ዘይብሎም ሰባት፡ ካብዚ ዝተጠቕሰ ግዜ ንላዕሊ ምጽራይ ዋላ ሓንቲ ረብሓ የብሉን። ሂርሽፌልድ፡ \"ኣብ መዓልቲ ካብ ክልተ ሳዕ ንላዕሊ ምሕጻብ'ውን ጐዳኢ ክኸውን ይኽእል እዩ\" ትብል። ኣብ ርእሲኡ፡ \"ምግቢ ብቐሊሉ ክቕርቅር ዝኽእል መላግቦ ስኒ 'ብረይስ' ዝገበሩ ሰባት፡ ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ምግቢ ስኖም እንተጽረዩ ዝሓሸ እዩ\" ኢላ። ካርተር ብወገኑ፡ \"ኣብ መዓልቲ ሓንሳእ ምሉእ ብምሉእ እንተጽሪና እዅል ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ከመይሲ ስኒ ዘመሽምሽ ኰነ ኣብ ግርጻን ጸገም ዘምጽእ እቲ ኣብ ኣስናንና ነዊሕ ዝጸንሐ ባዮፊልም እዩ። ዋላ ሓደ ካባና ግን 100% ኣየጽርን እዩ። ክልተ ሳዕ እንተጽሪና ነቲ ኣብ መጀመርታ ዘምለጠና ክነጽርዮ ንኽእል፣ ስለዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንዅሉ ነገር ነጽርዮ ኣለና ማለት እዩ፡\" ይብል። ብዙሓት ሰባት፡ ካብ ኣፍረይቲ ሳምና ስኒ ኣትሒዝካ ክሳዕ ሆስፒታላት ስኒ፡ ቅድሚ ቝርሲ ኣስናንና ምሕጻብ ዝሓሸ ከምዝኾነ ይጣበቑ ። እዚ ግን ክሳዕ ሕጂ ዘካትዕ ዘሎ ዛዕባ እዩ። ሂርሽፌልድ \"ንጹር ዝዀነ ሓሳብ የለን\" ትብል። \"እንተዀነ ብዙሓት ሓካይም ስኒ፡ ነቲ ባዮፊልም ጥራይ ዘይኰነስ ካብቲ ቍርሲ ኣብ ኣስናንና ንዝተረፈ መግቢ እውን ስለ ዘልግሶ ድሕሪ ምግቢ ንኸጽርዩ ይምሕጸኑ።\" ቅድሚ ቍርሲ ወይ ድሕሪ ቍርሲ ዝሓሸ ዝኸውን ኣብቲ ንበልዖ ነገራትን መዓስ ከምንበልዖን ዝምርኰስ ይኸውን። ምኽንያቱ ባዮፊልም ንኽዓቢ ዘድልይዎ ክልተ ነገራት፡ ደቀቕቲ ታህዋስያንን ንሶም ዝበልዕዎ ምግብን እዮም። \"ብዘይ ባክተሪያ ወይ ብዘይ ምግቢ ጕድጓድ ኣስናን ኣይፍጠርን፡\" ትብል ሂርሽፌልድ። \"ቅድሚ ቍርሲ ነቶም ባክተርያ ኣጸቢቕና እንተጽሪናዮም ክንደይ ሽኮር ከም ዝበላዕና ኣየገድሰን እዩ። ከብኵዕዎ ዝኽእሉ ባክተርያ እንተ ዘየልዮም ጽቡቕ እዩ።\" እንተዀነ፡ ብፍላይ መብዛሕትኦም ሰባት ትሑት ልምዲ ምጽራይ ስለ ዘለዎም፡ ቅድሚ ቍርሲ ኣብ ሓደ እዋን ነቲ ባዮፊልም 100% ከምዝጸርግዎ ርግጸኛታት ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና። ብተመሳሳሊ ድሕሪ ቍርሲ ምሕጻብ ውጽኢታዊ ክኸውን ይኽእል እዩ። \"ኣብ ልዕሊ እቶም ባክተርያ ዝርከብ ሽኮር እንተ ሓጺብናዮ፡ እዚ እውን ጽቡቕ እዩ፡\" ትብል ሂርሽፌልድ። ይዅን እምበር ድሕሪ ቍርሲ ምጽራይ ጐድናዊ ሳዕቤኑ ምስተመገብና ንኣስታት 60 ደቒቕ ክንጸንሕ ስለዘለና እዩ። ምኽንያቱ ኣብ መግቢ ዝርከብ ኣሲድ ንኣስናን ንግዜኡ ተቓላዒ ይገብሮ እዩ። \"ኣሲድ፡ ንቐጸላ ኣስናን ኢናመል የጥቅዖን ንእተወሰነ ግዜ ድማ የለስልሶን። እዚ ኸኣ ንገለ ካብቲ ቐንዲ ኣካል ኢናመል - ካልስየምን ፎስፌትን የጥፍኦ፣ ኰይኑ ግን ድሕሪ ዝተወሰነ ሰዓት ካብ ጥፍጣፍ ብዝርከብ ማዕድናት ይትካእ እዩ። ስለዚ፡ እዚ ክሳዕ ዝትካእ እንተ ዘይተጸቢና እቲ ዝባደመ ዝባን ስኒ ብቐሊሉ ኽጕዳእ ይኽእል እዩ\" ብምባል ሂርሽፌልድ ተረድእ። ካብ ናይ ንጉሆ ንላዕሊ፡ ዝያዳ ተመራጺ እቲ ናይ ምሸት እዩ - ቅድሚ ምድቃስና ወትሩ ናይ መወዳእታ ነገር ክኸውን ዘለዎ ኣስናንና ምጽራይ እዩ። ሂርሽፌልድ ከም ትብሎ፡ ኣብ ዕዳጋታት፡ ንስኒ ዝጐድኡ ብራሻትን ሳምናታት ስንን ኣለዉ። መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ \"መጻዕደዊ\" ዝበሃል ሳምና ስኒ ምስ ተሪር ብራሽ እንተተጠቒምና ውጽኢቱ ኣብ ስንና ዝበጽሕ ጉድኣት እዩ። \"እዚ ቀስ እናበለ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ዝኽሰት እዩ። ድሕሪ ግዜ እቲ ኣስናን ብሙቐት ክጕዳእ ወይ ክጕድጕድ ይኽእል፡\" ትብል ሂርሽፌልድ። ንኣባጽሕ፡ ማእከላይ ትሪ ዘለዎ ብራሽ ዝበለጸ ይኸውን። ሳምና ስኒ ከኣ መጻዕደዊ ዘይበሉ እንተኾነ ይሓይሽ። ሂርሽፌልድ ከም ትብሎ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣስናን ብዝያዳ ክቈጻጸሮ ዝኽእል ንእሽቶ ርእሲ ዘለዎ ብራሽ ዝሓሸ'ዩ፣ ከይኣረገ ከሎ ድማ ክትካእ ኣለዎ። እቲ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቕን ደቡብ እስያን ብብዝሒ ዝዝውተር መዎጽ፡ ነቲ ባዮፊልም ኣብ ምውጋድን ጐዳጕዲ ኣብ ምክልኻልን እውን ውጽኢታዊ እዩ። እንተዀነ ብግቡእ ክንጥቀመሉ ይግባእ። ብኤሌክትሪክ ዝሰርሕ ብራሽ ክቡር እንተዀነ እውን ዝበለጸን ውጽኢታውን እዩ። ‘ፍሎስ’ ኣብ መንጎ ኣስናን ንዘሎ ምግቢ ንምጽራይ ዘገልግል ረቂቕ ፈትሊ እዩ። እዚ ፈትሊ ተጠቒምካ ኣስናን ምጽራይ ዘለዎ ውጽኢታዊነት ብዝምልከት ዝተፈላለየ ምጕት ኣሎ። እዚ ምስ ብራሽ ብሓባር ምጥቃም ከም ኣማራጺ ዝርእይዎ እውን ኣለዉ። ሰባት ግን ኣስናኖም ንምጽራይ ኣየናይ መገዲ እንተተጠቐሙ ከምዝሕሾም ንምፍላጥ፡ ኵነታትን ጥዕናን ኣስናኖም ይውስኖ። ዝሓሸ ዝኸውን ድማ ሓኪም ስኒ ምውካስ እዩ። ጕርጓሕ ስኒ ካብ ዝከላኸሉ ክሳዕ ዘጻዕድዉ ብርክት ዝበሉ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ሳምና ስኒ ኣለዉ። እንተዀነ ዋጋኦም ዝኸበሩ ናይ ግድን ነቲ ኣገዳሲ ስራሕ ይዋጽኡ እዮም ማለት ከምዘይኰነ ሂርሽፌልድን ካርተርን ይገልጹ። ሂርሽፌልድ ከምትብሎ፡ እቲ ቐንዲ ኣገዳሲ ነገር ካብቶም ተዋጽኦታት ብፍላይ ክንጥንቀቐሉ ዝግብኣና፡ \"ትሕዝቶ ፍሎራይድ\" እዩ። \" እዚ ብርግጽ ቀንዲ ረቛሒ እዩ። \"ንዓበይቲ ሰባት እንተ ወሓደ ካብ ሓደ ሚልዮን 1,350 ኢድ ክህልዎም ኣለዎ፣ ንቈልዑ ድማ ነቲ ኢናመል ካብ ኣሲድ ምእንቲ ክከላኸሉ ካብ ሓደ ሚልዮን 1,000 ኢድ ክህልዎ ይግባእ። \"ፍሎራይድ ናብ ሳምና ስኒ ካብ ዝኣቱ ኣትሒዙ ኣብ ስኒ ዝፍጠር ጕርጓሕ እናነከየ እዩ ዝመጽእ ዘሎ፡\" ትብል ሂርሽፌልድ። ኣጽሪና ምስ ወዳእና፡ ነቲ ሳምና ጡፍ ምስበልና ካብ ምጕጽጓጽ እንተተቆጢብና እቲ ፍሎራይድ ኣብ ኣስናንካ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ንኽጸንሕ ዕድል ይህቦ እዩ። እንተዀነ፡ ምዕሩግ ተዋጽኦታት ብዝምልከት ጥንቃቐ ክንገብር ኣለና። ንኣብነት ፈሓም (Charcoal) ንኣሽሓት ዓመታት ከም መጽረይ ስኒ ኣገልጊሉ እዩ። ፈሓም ኣስናን ጻዕዳ ከምዝገብር ዝሕብር ብዙሕ መርትዖ ግን የለን፤ ስኒ ንኽብስብስን ንኻልኦት ጸገማትን እውን ጠንቂ ክኸውን ይኽእል እዩ። ካልኦት ኣብ ሳሙና ስኒ ዝኣትዉ መወሰኽታታት ብዙሕ ኣከራኸርቲ ኣይኮኑን። መባዅዕቲ ሶዳ (baking soda) ዘለዎም ሳሙና ስኒ ካብቶም ዘይብሎም ብዝሓሸ ነቲ ባዮፊልም ይጸርግዎ። ካርተር ከም ዝገለጾ መሕጸቢ ኣፍ ክንዲ በራሽ ምጥቃም ዝኣክል ውጽኢት የብሉን። ምስ ብራሽ ብሓባር ምጥቃም ግን ብዝሓሸ ከጽሪ ከምዝእኽእል ይሕብር።","category":"ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1dxx14rv0o"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣሽሓት ደርሁ ዝቐተለ ሕማምን ዝተገበረ ክልከላን","content":"ኣብዚ ሰሙን ማእኸል ምርባሕ ደርሁ ኣብ ዝኾነት ቢሾፍቱ ከምኡ ድማ ኣዲስኣበባን ሓደሓደ መዋስንቲ ከባብታትን ዘይተፈለጠ ሕማም ምኽሳቱ ስዒቡ፡ ብኣሽሓት ዝቑፀራ ደርሁ ሞይተን። ነዚ ስዒቡ ሚኒስትር ሕርሻ እታ ሃገር ውፅኢታት ደርሁ ናብ ዕዳጋ ከይቐርቡ ብ 03 ሰነ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ እገዳ ኣንቢሩ ኣሎ። ኣብ ሓደሓደ ማእኸላት መራብሒ ደርሁ ሙሉእ ንሙሉእ ብዝበሃል መልክዑ ደርሁ ቀቲሉ ዝተብሃለ ዘይተፈለጠ ሕማም መንቀሊኡን እንታይነቱን ክሳብ ዝፍለጥ፡ ደርሁ፣ ጨቓውትን እንቁላሊሕን ካብ ዝተፈላለዩ ክልላት ምጓዓዝ ኣይከኣልን። ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ሚኒስተር ድኤታ ዘፈር እንስሳትን ምርባሕ እንስሳትን ዶክተር ፍቕሩ ረጋሳ፡ ኣርባሕቲ ደርሁ፡ ደርሁን ውፅኢት ደርሁን ናብ ዕዳጋ ምቕራብ ከምዘይኽእሉ ንቢቢሲ ገሊፁ። ብፍላይ ድማ እዚ ሕማም ብዋናነት ኣብ ዝተላብዐሎም ከባብታት ቢሾፍቱ፣ ኣዲስኣበባን ጎረባብቲ ከባብታትን፡ ደርሁን ውፅኢት ደርሁን ምግዓዝ፣ ናብ ወፃኢ ሃገር ምስዳድ ኮነ ካብ ወፃኢ ምእታው ኣይከኣልን። እቲ ሕማም ናብ ካልኦት ከባብታት ከይላባዕ ገደብ ምንቅስቓስ ከምዝተገበረ ዝገልፅ ዶክተር ፍቕሩ ዝተፈላለያ ክልላት ናይ ባዕለን ጥንቃቐ ንክገብራ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ’ዩ ኢሉ። ነዚ ስዒቡ ብኣሽሓት ዝቑፀራ ዝተፈልፈለ ጨቓውትን እንቋቑሖን ናብ ዕዳጋ ከይቐርቡ ብምእጋዱ፡ ብዙሓት ኣርባሕቲ ደርሁ ንፀገም ተቓሊዕና ኢሎም። እዚ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኸሰተ ሕማም ደርሁ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሐሸ ምርባሕ ደርሁ ኣለወን ኣብ ዝበሃሉ ከባብታት ኣዲስኣበባ፣ ቢሾፍቱን መዳውብቲ ከባብታትን’ዩ ተኸሲቱ። ኣካያዲ ስራሕ፡ ማሕበር ምውህሃድን ምርባሕን ደርሁ ኢትዮጵያ ኣይተ ብርሃኑ ሚልዮን፡ እቲ ሕማም ካብ ቢሾፍቱ ክሳብ ኣዳማ ኣብ ዘሎ ኮሪደር ብስፍሓት ተላቢዑ ከምዝነበረ ንቢቢሲ ገሊፁ። ዛጊድ 100 ሽሕ ወይ ድማ ልዕሊኡ ደርሁ ከምዝሞታ ይግመት፤ ሚኒስትር ሕርሻ እታ ሃገር ብዛዕባ እዚ ኩነታት ግምገማ የካይድ ከምዘሎ እዩ ዝሕብር። ዶክተር ፍቕሩ፡ “በዚ ደረጃ ምልብዑን ብዙሓት ደርሁ ምቕታሉን ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ። ካብ ሓደ መራብሒ ማእኸል ናብ ካልእ ናይ ምልባዕ ኩነታት ምስ ኣርኣየ፡ ናብ ገደብ ምንቅስቓስ ኣቲና” ኢሉ። እዚ ኣብዚ ሰሙን ዘጋጠመ ሕማም ደርሁ፡ ዋላ’ኳ ንዓበይቲ ማእኸላት ምርባሕ ደርሁ እንተዘየጥቅዐ፡ እዞም ማእኸላት እዚኦም’ውን ደርሁን ውፅኢት ደርሁን ምግዓዝ ኮነ ምሻጥ ኣይኽእሉን። ሓኪም እንስሳት ዶክተር ደመቀ ወንድማገኝ፡ እዚ ሕማም  ኣብ ኣናእሽተይን ማእኸላይን መራብሒ ማእኸል ዘብፅሖ ልዑል ሞት ብምርኣይ እቲ ኩነታት ከቢድ ክኾን ከምዝኽእል ይጠቅስ። ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ፣ ኣዲስኣበባን መዳውብቲ ከባብታትን ዘለዉ ኣርባሕቲ ደርሁ፡ ፍርያቶም ምግዓዝን ናብ ዕዳጋ ምቕራብን ብዘይምኽኣሎም ንከቢድ ክሳገራ ተሳጢሕና ይብሉ። ኣይተ ብርሃኑ ከምዝብሎ፡ መብዛሕትኦም ኣናእሽተይ ኣርባሕቲ ደርሁ ብምዃኖም፡ ካብ ፍርያት ደርሁ ብዝረኽብዎ ኣታዊ ዝናበሩ ብምዃኖም ከቢድ ጉድኣት ኣስዒብሎም ኣሎ። ብሰንኪ እዚ ሕማም ተግባራዊ ዝኾነ ክልከላ ስዒቡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራሕ ኣብ ሓደ መራብሒ ማእኸል ኣስታት 40 ሽሕ ጨቓውቲ ተቐቢረን ይብል። ሓደሓደ ማእኸላት ቀንዲ ስረሖም ጨቓውቲ እናፈልፈልካ ምሻጥ እዩ ዝብል ኣይተ ብርሃኑ፡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ጫጩት ዘፈልፈለ ሓደ ማእኸል ከግዕዝ ብዘይምኽኣሉ ክቐብረን ከምዝተገደደ ይገልፅ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ሓደ ማእኸል ምርባሕን ምውህሃድን ደርሁ፡ ክፍልፈሉ ዝግበኦም 50 ሽሕ እንቋቑሖ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ከምዝኾንዎ ይሕብር። ካብ ሃገራት ወፃኢ ኣታዊ ብምግባር እንቋቑሖ ከፈልፍሉን ክሸጡን ዝፀንሑ ማእኸላት፡ ነዚ ተግባራዊ ክገብሩ ብዘይምኽኣሎም ንክሳራ ከምዝተሳጥሑ የረድእ። ብዙሕ ዘርኢ እንቁላሊሕ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ብምዃኑ ድማ፡ ንኣርባሕቲ ብፍላይ ድማ ኣናእሽተይ ኣርባሕቲ ካብ ዕዳጋ የውፅኦም ከምዘሎ ይገልፅ። እዞም ኣርባሕቲ ካብ ዝረኽብዎ ኣታዊ ቀለብ እንስሳ ክዕድጉ ብዘይምኽኣሎም፡ እቲ ክልከላ እንድሕር በዚ ቀፂሉ ድማ ዘለውኦም ደርሁ ብጥሜት ክውድኣ እየን ዝብል ስግኣት ኣንፀላልይዎም ይርከብ። “ደርሁ ልዕሊ እቲ ሕማም ብጥሜት ክውድኣ ይኽእላ እየን” ይብል ኣይተ ብርሃኑ። ማሕበር ኣርባሕቲ ደርሁ፡ ብሚኒስትር ሕርሻ ይወፁ ዘለዉ ውሳነታት ነቲ ማሕበር ዘግለለ እዩ ዝብል ቅረታ ኣለዎም። እቲ ማሕበር ከም ቀንዲ በዓል ጉዳይ፡ ኣብ ምርምራትን መፍትሕታትን ተሳታፊ እንተዝኸውን፡ ንስጉምቲ ምክልኻል ዝሐሸ እታወት ከምዝኸውንን ኣብ ቅልጡፍ ግዘ ፍታሕ ክመፅእ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣለዎም። እዚ ሕማም ምግጣሙ ስዒቡ፡ ሚኒስትር ሕርሻ እታ ሃገር ካብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ዝተዋፅአ ግብረ ሓይሊ ኣጣይሹ ኣሎ። ግንዛበ ናይ ምፍጣር ስራሕቲ፣ ክትትልን ምርምርን ከምኡ’ውን ምላሽ ናይ ምሃብ ስራሕቲ ይካየዱ ኣለዉ። ኣብ ጫካታት ዝሞታን ተደርብየን ዝተረኸባን ደርሁ፡ እቲ ሕማም ንከይላባዕን ዳግማይ ንከይኽሰትን፡ ነዘን ዝሞታ ደርሁ ኣኪብካ ናይ ምቕባርን ምቅፃልን ስራሕቲ ይስርሑ ኣለዉ። እቲ ሕማም ኣብ ዝተኸሰተሎም ከባብታት ካልእ ሕማም ክስዕብ ይክእል’ዩ ብዝብል ድማ፡ ኬሚካል ናይ ምንፃግ ስራሕ ይስራሕ ኣሎ። ዓበይቲ ማእኸላት ምርባሕ ደርሁ ድማ፡  ኩነታት ድሕንነተን ብምውሓስ ዘለዎም ምህርቲ ኣብኡ ክሕዙ ተገይሩ።","category":"ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ckk32wdl4gwo"} {"headline":"\"ዮጋ ርጉእን ትኩርን ንክኸውን'ዩ ዝሕግዘኒ\" ረያሽኒ","content":"ካብ ዓለም ብዕድመ እቲ ዝነኣሰ መምህር ዮጋ ረያሽኒ ካብ ወዲ ኣርባዕተ ዕድመ ጀሚሩ ዮጋ ክተግብር ከምዝጀመረ እዩ ዝገልጽ። ካብ ግዜ ቁልዕነቱ ጀሚሩ ምስ ዮጋ ክቱር ፍቕሪ ዝሓደሮ ረያሽኒ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ናይ ባዕሉ ቤት ትምህርትን ካልኦት መድረኻትን ዮጋ ይምህር'ሎ።","category":"ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/61911565"} {"headline":"ድሕሪ 30 ዓመት ካብ ኤችኣይቪ ዝሓወየ ሰብ","content":"ካብ 1980ታት ኣትሒዙ ምስ ኤችኣይቪ ክነብር ዝጸንሐ ሓደ ሰብ ከም ዝሓወየ ሓኻይም ገሊጾም። በዚ መሰረት፡ እዚ ሰብ ካብ ኤችኣይቪ ዝሓወየ መበል ራብዓይ ሰብ ኰይኑ ኣሎ። እቲ ሰብ መንሽሮ ደም ስለዝሓመመ፡ ኣንጕዕ ዓጽሚ ንምሕካም ብዝብል ናይቲ ቫይረስ ተጻዋርነት ካብ ዘለዎ ደም ስለዝተወሃቦ እዩ ሓውዩ ዘሎ። እቲ መንነቱ ክፍለጥ ዘይደለየ 66 ዓመት ዝዕድመኡ ሰብ፡ መድሃኒት ኤችኣይቪ ምውሳድ ኣቋሪጹ ኣሎ። እቲ ቫይረስ ኣብ ውሽጡ ስለዘየለ ድማ “ካብ ምስጋና ንላዕሊ” ከምዝስምዖ ገሊጹ። እዚ ሰብኣይ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ዱዋርት ካሊፎርንያ ሆስፒታል ምሕካሙ፡ ተሓካሚ \"ሲቲ ኦፍ ሆፕ\" - ከተማ ተስፋ ብዝብል ተጸዊዑ'ሎ። መድሃኒት ኤችኣይቪ [መናውሒ ዕድመ] ከይማዕበለ እንከሎ፡ ብዙሓት ኣዕሩኽቱ ዝነበሩ ብሰንኪ'ቲ ሕማም ሞይቶም እዮም። ኤች.ኣይ.ቪ. ንስርዓተ ምክልኻል ሕማም ሰብነት ዝጐድእ ቫይረስ እዩ። እዚ ድማ ኤይድስ የስዕብ። እቲ ሰብ፡ \"ኣብ ኤችኣይቪ ከምዘለኒ ክንገረኒ እንከሎ ከም መብዛሕትኡ ሰብ ናይ ሞት ፍርዲ ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ፡’ ክብል ገሊጹ። እታ፡ \"ኤችኣይቪ ካብ ውሽጠይ ዝጠፍኣላ መዓልቲ ክርእያ እየ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን፡\" ይብል። ይዅን እምበር እቲ ዝተወሃቦ ሕክምና ንኤችኣይቪ ተባሂሉ ኣይነበርን። እቲ ሰብ ወዲ 63 ዓመት እንከሎ መንሽሮ ደም ምስ ሓመመ፡ ሓኻይሙ ብመንሽሮ ዝተጠቕዑ ዋህዮታቱ ንምቕያር ኣንጕዕ ዓጽሚ ክትክእሉ ወሲኖም። ከም ኣጋጣሚ ኰይኑ እቲ ኣንጕዕ ዓጽሚ ዘወፈየ ሰብ፡ ተጻዋርነት ኤችኣይቪ ዘለዎ ኰይኑ ጸኒሑ። እቲ ቫይረስ CCR5 ብዝበሃል ፕሮቲን ኣቢሉ እዩ ናብ ጻዕዳ ዋህዮታት ዝኣቱ። እንተዀነ ገለ ገለ ሰባት ነቲ ቫይረስ ክገትእ ዝኽእል ዝተለወጠ CCR5 ኣለዎም። እዚ 'ተሓካሚ ከተማ ተስፋ' ድሕሪ ሕክምናኡ፡ ብቐረባ ክትትል እናተገብረሉ እዩ ጸኒሑ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ንልዕሊ 17 ኣዋርሕ እቲ ኣብ ሰብነቱ ዝጸንሐ ኤችኣይቪ ኣብ ዝነጽሃሉ ደረጃ በጺሑ'ሎ። \"እቲ ን30 ዓመታት ምስ ኤችኣይቪ ዝነበረ ሰብ፡ ኣብ ሰብነቱ ዝነበረ ቫይረስ ኣብ ምጥፋእ ገጹ ከም ዘሎን ጸረ ኤችኣይቪ መድሓኒት ምውሳድ ከምዘየድልዮን ክንነገሮ እንከለና ኣመና ተሓጕስና፡\" ክትብል ኣብቲ ሆስፒታል ትሰርሕ ዶ\/ር ጃና ዲክተር ነቲ ህሞት ትገልጽ። ከምዚ ዓይነት ነገር ንመጀመርታ ግዜ ዘጋጠመ ኣብ 2011 ነይሩ። ሽዑ ቲሞቲ ረይ ብራውን ካብ ኤችኣይቪ ዝሓወየ ናይ መጀመርታ ሰብ ኰይኑ። ብድሕሪኡ፡ ሕወየት ካብዚ ቫይረስ ኣብ ሰለስተ ሰባት ኣጋጢሙ ኣሎ። ተሓካሚ \"ሲቲ ኦቭ ሆፕ\" ካብ ኵሎም ንላዕሊ እቲ ብዕድመ ዝደፍአን ምስ ኤችኣይቪ ንነዊሕ ዓመታት ዝነበረን ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ። ኣንጕዕ ዓጽሚ ንምቕያር ዝግበር ሕክምና ናይ ባዕሉ ጐናዊ ሳዕቤን ስለዘለዎ ኣብ ዓለም ዘለዎ ምስ ኤችኣይቪ ዝነብሩ 38 ሚሊዮን ሰባት ንምሕካም ምቹእ ኣይከውንን'ዩ ክትብል ዶ\/ር ዲክተር ትገልጽ። ይዅን እምበር ተመራመርቲ CCR5 ተጠቒሞም መድሃኒት ክረኽቡሉ ይጽዕሩ ኣለው።","category":"ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cl7edxer158o"} {"headline":"ኣብ ውዑይ ኩነታት ኣየር ከመይ ክንድቅስ ንኽእል?","content":"ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ዝናብ ወቕቲ'ዃ እንተዀነ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፣ ኤውሮጳን ኣመሪካን ግን ዋዒ ዝብርትዓሉ ግዜ’ዩ። ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ዝዀነ እዋን ዘጋጥም መጠን ዋዒ ብዝለዓለ መጠን እዩ ዝውስኽ ዘሎ። በዚ ምኽንያት፡ ዝናብ እዋኑ ሓይልዩ ኣይመጽእን፤ ሙቐት ክኣ ይብርትዕ። ተመራመርቲ፡ መጠን ዋዒ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ዓቐን ክውስኽ ከም ዝኽእል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ገሊጾም ነይሮም። እዚ፡ ካብዚ ዓመት ጀሚሩ ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ከም ዝብርትዕ እዮም ገሊጾም። ናይዚ ምኽንያት ክኣ ክሊማዊ ለውጢ ምዃኑ ይገልጹ። ስለ ዝዀነ፡ ዋዒ ወሲኹ፤ ኤውሮጳ ትልብለብ ኣላ። ኣብ ገለ ከባቢታት ኢትዮጵያ’ውን ልዑል መጠን ዋዒ ተራእዩ ኣሎ። ቅድሚ ሒደት ሰሙናት፡ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ መጠን ሙቐት ስለ ዝወሰኸ፡ ነበርቲ መጠን ሙቐት ሰብነቶም ብተፈጥሮኣዊ መገዲ ክቆጻጸሩዎ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ። ሙቐት፡ ቀሊል ኣይኰነን። ኣብታ ኣብዚቕነ ከቢድ ሙቐት እተተኣናግድ ዘላ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብዙሓት ጽቡቕ ድቃስ ክንድቅስ ኣይክኣልናን ኢሎም የማርሩ ኣለው። ንምዃኑ፡ ኣብ እዋን ሙቐትን ሓያል ዋዒ ዘለዎ ኩነታት ከመይ ኢልና ጽቡቕ ድቃስ ክንድቅስ ንኽእል? ገለ ሜላታት ክንሕብረኩም። ናይ ውሽጢ ሰብነትና ዋዒ ንምቁጽጻር ብዙሕ ጉልበት ስለ እንጥቀም፡ ምዉቕ ኩነታት ኣየር ኣብ ቀትሪ ሰነፋት ወይ ህኩያት ክገብረና ይኽእል እዩ፡፡ ስለዚ ዋላ ኣብ ለይቲ ጽቡቕ እንተዘይደቀስኩም፡ ቀትሪ ንዘይምክሕሓስ ፈትኑ፡፡ ኣብ ከቢድ ዋዒ ምድቃስ ቀሊል ስለ ዘይኮነ፡ ንለይቲ ኣጽንሕዎ፡፡ ውዑይ ኩነታት ኣየር ልምድታትኩም ክትቅይሩ ክደፋፍአኩም ይኽእል እዩ፡፡ እንተኾነ እዞም ለውጢታት ድቃስ ክርብሹ ስለ ዝኽእሉ፡ በድሁዎ። ዝለመድኩምዎም ነገራት ብምስራሕ ኣብ ልሙድ ሰዓትኩም ደቅሱ፡፡ ቅድሚ ምድቃስኩም እትፍጽምዎም ነገራት ቀጽሉ፡፡ ኣብ ለይቲ መደቀሲኹም ዝሑል ክኸውን ዝገብሩ ነገራት ግበሩ፡፡ ኣብ እዋን ቀትሪ ጸሓይ ናብ ገዛኹም ከይኣቱ መጋረጃታትኩም ዕጸዉ፡፡ ብተመሳሳሊ ብርሃን ጸሓይ ክኣትወሉ ብዝኽእል ገጽ ዘሎ መስኮት እውን ዕጸዉዎ፡፡ ቅድሚ ምድቃስኩም ድማ መሳኹቲ ከፊትኩም ሓድሽ ኣየር ክኣቱ ግበሩ፡፡ እትኽደንዎ ነክዩ፤ ግን ድማ ምቹው ክኸውን ኣለዎ፡፡ ረቀቕቲ ካብ ጡጥ ዝተሰርሑ ኣንሶላታት ረሃጽ ሰብነት ይመጡ እዮም፡፡ እንተኾነ ኣብ ለይቲ ዋላ መደቀሲና ክንዲ ድላዩ እንተሞቐ፡ ሙቐት ሰብነትና ግን ይንኪ እዩ፡፡ ነዚ እዩ ድማ ገለ እዋን ክቖረና እንከሎ ካብ ድቃስና እንነቅሕ፡፡ ኣብ ሓያል ዋዒ ንኡሽቶ ቬንትሌተር እውን ትሕግዝ እያ፤ ብፍላይ ራህዲ እንተኾይኑ፡፡ ርሃጽ ብቐሊሉ ክተንንን ሰብነትና ውጣዊ ሙቐት ክቆጻጸርን የኽእሎ፡፡ ቬንትሌተር እንድሕር ዘይብልኩም፡ ኣብ እዋን ዛሕሊ ውዑይ ማይ እንመልኦም ጎማታት፡ ኣዐርዩ ዝዘሓለ ማይ መሊእኻ ምጥቃም፡፡ ከም ኣማራጺ፡ ካልስኹም ኣብ ፍሪጅ ኣዝሒልኩም ግበርዎ፡፡ እግርኹም ምዝሓል ናይ መላእ ቆርበትኩምን ሰብነትኩምን ሙቐት ክወርድ ይሕግዝ፡፡ ኣብ ቀትሪ ብዙሕ ማይ ስተዩ፤ ኣብ ኣጋ ምድቃስኩም ግና እትሰትይዎ መጠን ማይ ነክዩ፡፡ ንጉሆ ካብ ምድቃስኩም እንትትለዓሉ ማይ ከይጸምአኩም ትደልዩ ትኾኑ፤ ግና ቅድሚ ምድቃኩም ብዙሕ ማይ ምስታይ ድቃስ ኣቋሪጽኩም ናብ ሽቓቕ ክትከዱ ዝገብር እዩ፡፡ ኣብ ልስሉሳት መስተ ጥንቃቐ ግበሩ፡፡ መብዛሕተኦም ማእከላይ ስርዓተ መትኒ ብምልዕዓል ክንነቅሕ ዝገብር ‘ካፊን’ ዝሓዙ እዮም፡፡ ብዙሕ ኣልኮል ምስታይ እውን ግደፉ፡፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ውዑይ ኣየር ብዙሕ ኣልኮል እዮም ዝሰትዩ፡፡ ኣልኮል ክንድቅስ ይሕግዝ ይኸውን፡፡ ኮይኑ ግና ገስጊስና ንክንነቅሕን ብሓፈሻ እንድቀሶ ድቃስ ዘይጥዑም ክኸውንን ይገብር፡፡ ድቃስ ኣብዩኩም ዓወጽወጽ እንተዳኣኢልኩም፡ ተሲእኩም ዘረጋገአኩም ነገር ግበሩ፡፡ ምንባብ፣ ምጽሓፍ ፈትኑ፤ ዋላ‘ውን ካልስኹምን ክዳንኩምን ዕጸፉ፡፡ ስልክኹም ምቱኽቷኽ ወይ ቪድዮ ጌም ምጽዋት ግን ግደፉ፤ እቲ ካብ ቴሌፎን ዝፍኖ ሰማያዊ ብርሃን ከይንድቅስ ዝገብር ኮይኑ፡ እቲ ተግባር እውን ዘነቓቕሕ እምበር ዘደቅስ ኣይኮነን፡፡ ድቃስ ከም ዝመጸኩም ክስመዓኩም እንከሎ ናብ ዓራትኩም ተመለሱ፡፡ መብዛሕትኡ እዋን ህጻናት ጽቡቕ ደቀስቲ እዮም፤ ኮይኑ ግና ኣብ ቤተሰብ ናይ ስምዒት (ሙድ) ለውጢ እንትህሉን መዓልታዊ ምንቅስቓሳትና እንትለዋወጡን፡ ተኣነፍቲ ክኾኑ ይኽእሉ፡፡ ሙቐት ብምዃኑ ጥራሕ ልሙድ ናይ መሕጸብን መደቀስን ሰዓቶም ክቕየር የብሉን፡፡ ቅድሚ ምድቃሶም ልህብ ብዝበለ ማይ ምሕጻብ ይምከር፤ ኣዐርዩ ከምዘይቆሮም ክነረጋግጽን ሙቐት ሰብነቶም ክንዕቅንን ኣለና፡፡ ህጻናት ሙቐት ናይቲ ገዛ ካብ 16 ክሳብ 20 ዲግሪ ሴንትግሬድ ኣብ ዝኾነሉ እዮም ጽቡቕ ዝደቅሱ፡፡ ኣብ መደቀሲ ናይቲ ህጻን ቴርሞሜትር ምቕማጥ ይከኣል፡፡ መብዛሕትና መዓታዊ ስራሕና ብኣግባቡ ንምስራሕ ካብ ሸውዓተ ክሳብ ሸሞንተ ሰዓት ጽቡቕ ድቃስ ለይቲ የድልየና፡፡ ኰይኑ ግና ብዙሕ ሰብ ድሕሪ ሓደ ክልተ ዘይጽቡቕ ድቃስ ዘለዎም ለይቲታት፡ ስርሑ ብጽቡቕ ክሰርሕ ከምዝኽእል ንዘክር፡፡","category":"ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cg6zrknxy0vo"} {"headline":"ቫይረስ ማርበርግ እንታይ እዩ? ብኸመይከ ንከላኸሎ?","content":"ኣብ ጋና ብሰንኪ ቫይረስ ማርበርግ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱን እቲ ቫይረስ ከምዘለዎም ዝተጠርጠሩ 98 ሰባት ከምዝተወሸቡን ድሕሪ ምግላጹ፡ ረስኒ፡ ቃንዛ ጭዋዳታት፡ ውጽኣት፡ ተምላስን መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ብሰንኪ ክቱር ምፍሳስ ደም ሞት ዘስዕብ ብርቱዕ ተመሓላላፊ ሕማም ከይላባዕ የስግእ ኣሎ። ቫይረስ ማርበርግ ምስቲ ቐታሊ ዝዀነ ቫይረስ ኢቦላ ዝምድና ከምዘለዎ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር። ቫይረስ ማርበርግ ንመጀመርታ ግዜ ዝተርኣየ፡ ኣብ 1967 ኣብ ከተማታት ጀርመን፡ ማርበርግን ፍራንክፈርትን ከምኡ'ውን ኣብ ቤልግሬድ ሰርቢያን ክኸውን እንከሎ፡ ብሰንኪ እቲ ለበዳ 31 ሰባት ሞይቶም እዮም። እዚ ለበዳ እዚ ካብ ዩጋንዳ ብዝተወስዱ 'ሓምላይ ህበይ ኣፍሪቃ' ዝመጸ ከምዝዀነ ይእመን። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ግን፡ እቲ ቫይረስ ምስ ካልኦት እንስሳታት እውን ክተሓሓዝ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ሰባት ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ፡ መንካዕ ኣብ ዝርከባሉ በዓቲታትን መዐደኒታትን ነዊሕ እዋን ዘሕለፉ ሰባት ይዝርጋሕ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ጋና ንመጀመርታ ግዜ ነቲ ቫይረስ ምርካባ ትግለጽ እምበር፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ነይሩ እዩ። ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኬንያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን፡ ዚምባብወን ካብ መንጎ እተን ሃገራት ዝጥቀሳ እየን። እቲ ለበዳ ኣብ 2005 ኣብ ኣንጎላ ልዕሊ 300 ሰባት ቀቲሉ። ኣብ ኤውሮጳ ግን ኣብ ዝሓለፉ 40 ዓመታት ሓደ ሰብ ጥራይ ክመውት እንከሎ፡ ኣብ ኣሜሪካ ድማ ኣብ ዩጋንዳ ናብ በዓቲታት ተጓዒዙ ዝነበረ ሓደ ሰብ፡ ናብ ሃገሩ ምስተመልሰ ከምዝሞተ ይፍለጥ። ኣብ 2017 ኣብ ዩጋንዳ ሰለስተ ሰባት ተረኺቦም ሰለስቲኦም ድማ ሞይቶም። ኣብ 2012 ኣብ ዩጋንዳ 15 ሰባት ተረኺቦም ኣርባዕተ ሞይቶም። ኣብ 2005 ኣብ ኣንጎላ 374 ሰባት ተረኺቦም 329 ድማ ሞይቶም። ካብ 1998-2000 ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ 154 ሰባት ተረኺቦም 128 ሞይቶም። ኣብ 1967 ኣብ ጀርመን 29 ሰባት ተረኺቦም ሸውዓተ ሞይቶም። ምንጪ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም እቲ ቫይረስ ሃንደበት ክጅምር እንከሎ ነዞም ዝስዕቡ ምልክታት የርኢ፡ ብድሕሪኡ መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ነዞም ዝስዕቡ ምልክታት የርኢ፡ \"ኣብዚ ደረጃ'ዚ ዝርከቡ ሕሙማት 'ከም መናፍስቲ' ዝስሕብ መልክዕ፡ ዓሚቝ ኣዒንቲ፡ መግለጺ ዘይብሉ ገጽ፡ ከምኡ'ውን ሕሉፍ ድኻም ከም ዘለዎም ተገይሩ ይግለጽ፡\" ይብል ውድብ ጥዕና ዓለም። ብዙሓት ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ኣካላቶም ክቱር መፍስሰቲ ደምን ስቓይን የጋጥሞም እሞ፡ ኣብ ውሽጢ 8 ወይ 9 መዓልቲ ይሞቱ። ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝገለጾ እቲ ቫይረስ ብገምጋም፡ ፍርቂ እቶም በዚ ሕማም'ዚ ዝተታሕዙ ሰባት ይቐትል እዩ። እቶም ኣዝዮም ጐዳእቲ ዝዀኑ ሕማማት ግን ክሳዕ 88 ሚእታዊት ይቐትሉ እዮም። ፍሩት ባትስ ዝበሃላ መንካዕ ግብጺ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ቫይረስ ዝስከማ እየን። ኣብ ሓምላይ ህበይ ኣፍሪቃ ይዅን ሓሰማታት እውን ክስከምዎ ይኽእሉ። ኣብ ደቂ ሰብ ብኣካላዊ ፈሳሲታትን ብእኡ ዝተበከለ መደቀስን ኣቢሉ ይዝርጋሕ። ሰባት እንተሓወዩ'ውን ንኣብነት ደሞም ወይ ዘርኦም ንሓያሎ ኣዋርሕ ንኻልኦት ሰባት ክለክፍ ይኽእል እዩ። ነቲ ቫይረስ ዝኸውን ፍሉይ ክታበት ወይ ሕክምና የለን። ውድብ ጥዕና ዓለም ግን ዝተፈላለየ ዓይነት ደም፡ መድሃኒትን ከምኡ'ውን ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ይዳሎ ከምዘሎ ይገልጽ ሓካይም ንሕሙማት ሆስፒታል ብዙሕ ፈሳሲ ብምሃብን ዝጠፍአ ደም ብምትካእን ነቲ ምልክታት ክንክዩ ይኽእሉ ይዀኑ። ኣብ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ሰባት፡ ስጋ እንስሳታት መሮር ካብ ምብላዕ ወይ ካብ ምሓዝ ክቝጠቡ ከም ዘለዎም ጋቪ ዝበሃል ክታበት ዘተባብዕ ዓለምለኻዊ ትካል ይሕብር። ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ብወገኑ፡ ኣብቲ ሕማም ዘለዎ ከባቢ ዝርከቡ ሰባት ምስ ሓሰማታት ክራኸቡ ከምዘይብሎም ይገልጽ። እቶም በዚ ቫይረስ እዚ ዝተታሕዙ ደቂተባዕትዮ፡ ንሓደዓመት ዝኸውን ወይከኣ ዘርኦም ክልተ ሳዕ ተመርሚሩ ካብቲ ቫይረስ ናጻ ምዃኖም ክሳብ ዝረጋገጽ ኮንዶም ክጥቀሙ ኣለዎም። እቶም በቲ ቫይረስ ንዝሞቱ ሰባት ዝቐብሩ ኸኣ፡ ነቲ ሬሳ ብኣእዳዎም ከይትንክፍዎ ክጥንቀቑ ይግባእ።","category":"ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c03z8667xdzo"} {"headline":"ኮቪድ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብቐጻሊ ይውስኽ ኣሎ","content":"ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርገሐን መልከፍትን ኮቪድ ብቐጻሊ ይውስኽ ከምዘሎ ፡እዋናዊ ኣሃዛት ቤት-ጽሕፈት ሃገራዊ ስታቲስቲክስ (ONS) ይሕብር ። እቲ ሓበሬታ ከምዘነጸሮ፡ ክሳብ ምውዳእ ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ ኣስታት 1.7 ሚልዮን ሰባት ኮቪድ ክሓሙ ከምዝኽእሉ ይግምት ። እዚ ማለት ኣስታት ሓደ ሰብ ካብ 35 ማለት እዩ። እዚ ኣሃዝ ከኣ ካብታ ቅድሚኣ ዝነበረት ሰሙን ብ23% ይውስኽ ኣሎ ማለት እዩ ። ክኢላታት እቲ ዓውዲ፡ 'ቢ4ን ቢ.5ን’ ዝበሃል ናይ ኦሚክሮን ንኡስ ቀጸላ ብፍጥነት ይዝርጋሕን ሓዲሽ መልከፍቲ የስዕብን ከምዘሎ ይሕብሩ። ኣብዚ እዋን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ልዕሊ ፍርቂ ዝኸውን ናይ 'ቢ4ን ቢ.5ን’ ንኡስ ቀጸላ ኦሚክሮን ዝርገሐ ከምዘሎ ክፍሊ ሕክምና ዓባይ-ብሪጣንያ የረድእ። ኣብ ዝቕጽል ሒደት ሳምንታት ከኣ ብዙሓት ሰባት እዚ ዝተገልጸ ዓይነት ኮቪድ ክህልዎም ከምዝኽእል ይጽበዩ። ሰባት ዋላ ኣብ ቀረባ እዋን ኮሮናቫይረስ ሓሚሞም እንተነበሩ እውን በዚ ሓዲሽ ዓይነት ንኡስ ቀጸላ ኦሚክሮን ክጥቅዑ ይኽእሉ እዮም። ብ ‘ቢ4ን ቢ.5ን’ ዝተባህለ ንኡስ ቀጸላ ኦሚክሮን ማዕረ ክንደይ  ከጨንቐና ይኽእል? እዞም ንኡስ ቀጸላ ኦሚክሮን ካብ ካልእ ዓይነት ዓሌት ኮቪድ ንላዕሊ ቀተልቲ ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም። እቲ ዝተዋህበ ክታበት ክሳብ ሕጂ ህይወት የድሕን ኣሎ። መብዛሕትኦም ሰባት በዚ ሕጂ ዘጋጥም ዘሎ መልከፍቲ ኮቪድ ብዙሕ ኣይውጽዑን እዮም ዘለው። ክሳዕ ቀረባ እዋን ምክትል ሓለቓ ሕክምናዊ ጕዳያት ዓዲ እንግሊዝ ዝነበረ ፕሮፈሰር ዮናታን ቫን-ታም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ሃገር ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዝለዓለ መልከፍቲ ዝኸፍእ ሓደጋ ኣይከጋጥማን እዩ ይብል። \"ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ኣይገብርን እየ። ይኹን እምበር ኣብ ኣዝዩ ዕጹው ቦታን ህዝቢ ዝበዝሖን ማሕበራዊ ምትእስሳርን ዘለዎ ቦታ እንተከይደ ግን፡ ክሓምም ስለዝኽእል ነብሰይ ክከላኸል ግድን እዩ። ኣፈይን ኣፍንጫይን ክሽፍን ክግደድ እየ። ሰባት ንነብሶም ኣብ ሓደጋ ካብ ዘውድቕ ተግባራት ዝተማህሩ ይመስለኒ” ይብል። ኣብዚ እዋን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኖቲንግሃም ኣብ ዓውዲ ሕክምናን ስነ-ፍልጠት ጥዕናን ምክትል ቻንስለር ኰይኑ ዘገልግል ዘሎ ፕሮፌሰር:  ንቻነል-4 ናይ ሬድዮ ፕሮግራም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሳላ ዝተኻየደ ክታበት ብዛዕባ ኮቪድ ከመይ ከም እንሓስብ ዳግም ከነረጋግጽ ክኢልና ኢና ክብል ሓቢሩ ። [ኮሮናቫይረስ] ካብቲ ንመጀመርታ ግዜ ዝተቐልቀለሉ እዋን እዚ ሕጂ ዝተዋህለለ ፍልጠት ኣዝዩ ዓቢ እዩ።  ኣብዚ እዋን እቲ ሕማም ዳርጋ ምስ ሰዓል ኣዝዩ ዝቀራረብ’ዩ ኮይኑ ዘሎ ይብል። \"ከምእትፈልጡዎ ኣብ ጽድያ (ዊንተር) ወቕታዊ ጉንፋዕ እንተ ኣጋጢሙና ንሒደት መዓልትታት ሕማቕ ኢና ንቕኒ። ነዚ ናይ ሕጂ ኮቪድ ከኣ ካብኡ ቁሩብ ሕይል ከም ዝብል ሰዓል ገይርና ክንቅበሎ ዘሎና እመስለኒ።\" እቶም ጽዑቕ ሕክምናዊ ክንክን ዘድልዮም ሓዳሪ ሕማም ዘለዎም ሕሙማት  ግን ወትሩ ብክኢላታት ቆላሕታ የድልዮም እዩ። ኣብ ሃገራዊ ስታስቲክስ ላዕላዋይ ኣሃዛዊ ክኢላ ካራ ስቲል እቲ ጻዕቅን ዝርገሐን ብዝያዳ ኣብ ስኮትላንድ ይበዝሕ ከምዘሎ ሓቢሩ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እውን ኣብ ኵሎም ክሊ ዕድመ ኣብ ቖልዑን ዓበይትን ይውስኽ ኣሎ። ብፍላይ ምስ ምኽፋት ትምህርቲ መጠን መልከፍትን ዝርገሐን ዛይዱ ኣሎ። ግዝኣታት ዓባይ ብሪጣንያ ኣኣብ ዞቦአን ክንደይ ዝኣክል ሓዲሽ መልክፍቲ ከምዘሎ ንምፍላጥ ብኣሽሓት ንዝቝጸሩ ሰባት መርመራታት ብምግባር መጽናዕቲ የካይዳ ኣለዋ። ሕጂ እውን እንተኾነ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ሆስፒታልን ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ክንክን ዝርከቡ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ወሲኹ ኣሎ። እንተኾነ እቲ ቫይረስ ካብ ዝተቐልቀለሉ እዋን ዝተመዝገበ ንታሕቲ እዩ። ይኹን እምበር  ሰበ-ስልጣን ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ እቲ ክታበታት ክቕጽል ጸቕጢ ይገብሩ ኣለዉ ። ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዘሎ ሓበሬታታት ከምዝሕብሮ፡ ኣብ መእለይ ኣረጋውያን ሓያሎ ብኮቪድ ዝተለኽፉ ሰባት ኣለዉ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ልዕሊ 75 ዝዕድመኦም ብኮቪድ ዝተታሕዙ ሰባት ንሆስፒታል ይመጽኡ ኣለው። ክኢላ ተመሓላላፊ ሕማም ዓባይ ብሪጣንያ ዶክተር ሜሪ ራምሳይ፡ ኣብዚ ክሊ ዕድመ እዚ ንዘለዉ ኣብ መእለይ ኣረጋውያን ዝነብሩ ሰባት ነቲ ኣብ እዋን ጽድያ ዝኽሰት ረኽሲ ሓድሽ ክታበት ክርከበሎም ተማሕጺና ኣላ ። \"ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ካብቶም 75 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም ሰባት  17.5% ዝኾኑ ብከቢድ ሕማም ናይ ምጥቃዕ ዕድሎም ልዑል ምዃኑ ይሕበር\" ከኣ ኢላ ።","category":"ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cnkx744y8j4o"} {"headline":"ሰሜን ኮርያ ለበዳ ዘይተፈለጠ ሕማም መዓንጣ ከምዝኣተዋ ኣፍሊጣ","content":"ብለበዳ ኮቪድ-19 ተወጢራ ዘላ ሰሜን ኮርያ፡ ለበዳ ዘይተፈለጠ ሕማም መዓንጣ ንምፍታሕ ትጽዕር ከምዘላ ገሊጻ። መራሒ እታ ሃገር ኪም ጆንግ-ኡን ውሸባ ክጅመር ኣዚዙ ከምዘሎ ማዕከን ዜና ከይሲኤንኤ ገሊጻ። እቲ መራሒ ናብቶም ኣብ ከተማ ሄይጁ ብሕማም መዓናጡ ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት መድሃኒት ከም ዝለኣኸ እውን ወሲኻ ገሊጻ። ሰብ ሞያ ጥዕና እቲ ብመልክዕ ለበዳ ዝተኸሰተ ሕማም ታይፎይድ ወይ ኮሌራ ክኸውን ከምዝኽእል ይግምቱ። ብሚልዮን ዝቝጸሩ ምርመራ ኮቪድ ዘይተገበረሎም ሰባት ምልክታት፡ “ረስኒ” ምርኣዮም ስዒቡ፡ ሰሜን ኮርያ ኣብ ወርሒ ግንበት ህጹጽ እዋን ኣዊጃ። በቲ ተወሊዑ ዝተባህለ ሕማም መዓንጣ ዛጊድ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ከም ዝተጠቕዑ ዝተገለጸ ነገር የለን። መራሒ እታ ሃገር ድማ እቲ ለበዳ ንምዕጋት በቲ ሕማም ዝተጠርጠሩ ሰባት ብኣጋ ክውሸቡ ምእዛዙ ተገሊጹ ኣሎ። ኣባል ኣብ ጉዳይ ክልቲአን ኮርያታት ዝሰርሕ ደቡብ ኮርያዊ ትካል ዝኾነ ውልቀሰብ፡ ሰብመዚ ሰሜን ኮርያ እቲ ሕማም ኮሌራ ወይ ታይፎይድ ክኸውን ከም ዝኽእል ምሕሳቦም ተዛሪቡ። እታ ለበዳ ዝተራእየላ ከተማ፡ ኣብታ ቀንዲ ንጥፈታት ሕርሻ ዝካየደላ ግዝኣት እትርከብ ምዃና ድማ ንከቢድ ሕጽረት ምግቢ እታ ሃገር ከየጋድዶ ተሰጊኡ ኣሎ። ሰሜን ኮርያ ቍጽሪ ሕማም ረስኒ (ፌቨር) ዝተራእዮም ሰባት እተፍልጥ ዘላ ኰይና፡ መመርመሪ ኮቪድ ግን ይብላን። እቲ መንግስቲ ሓቀኛ ቍጽሪ ይህብ ምህላዉ ዝጠራጠሩ'ውን ኣለዉ። ብሓሙስ ጥራሕ 26,010 ሰባት ሕማም ረስኒ ዘለዎም ሰባት ክትምዝግብ እንከላ፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ቍጽሪ በዚ ሕማም ዝተታሕዙ ሰባት 4.56 ሚልዮን በጺሑ ኣሎ። ሰብመዚ ሰሜን ኮርያ ቍጽሪ በቲ ሕማም ዝሞቱ ሰባት 73 ከም ዝዀነ'ኳ እንተገለጹ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ግን እቲ ኵነታት ዝኸፍአ ክኸውን ከም ዝኽእል ይሕብር። እታ ሃገር ድኹም ስርዓት ሕክምና ዘለዋ ኮይና፡ ንህዝባ ዝቐርብ ዓለምለኻዊ ሓገዝ ክታበት ክትነጽግ'ውን ጸኒሓ እያ።","category":"ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c9xl3r32lwyo"} {"headline":"ብሕክምና ምስግጋር ኣካል፡ ክልተ ኣእዳው ዝተገጥመሉ ሰብኣይ","content":"ስቴቨን ጋላገር፡ ፈለማ ብሕክምና ምትካእ ኣካል ('ትራንስፕላንት') ኣእዳዉ ክግጠመሉ ከምዝኽእል ክንገሮ እንከሎ ከም ዝሰሓቐ ይዝክር። እንተዀነ፡ ድሕሪ'ቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝተገበረሉ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝዀነ ሕክምና ምትካል ኣእዳው፡ \"ሓድሽ ህይወት\" ከስተማቕር ከምዝጀመረ ይዛረብ። ስቴቨን፡ ጠንቂ ምስኣን ክልተአን ኣእዳዉ ዝዀነ ጸገም ጥዕና፡ ቅድሚ 13 ዓመት'ዩ ጀሚርዎ፤ ኣብ ከባቢ ክሳዱን ኣፍንጫኡን ዕንፍሩር ክወጽኦ ጀሚሩ፣ ኣብ የማነይቲ ኢዱ'ውን ቃንዛ ይስምዖ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ሓኻይም፡ ስቴቨን ብ 'ሉፐስ' [ስርዓተ ምክልኻል ሕማማት ሰብነትና፡ ንናይ ባዕሉ መትንታትን ኣካላትን ከጥቅዕ ዝጅምረሉ ኵነታት] ከምዝተጠቕዐ፣ ስዒቡ ድማ ጸገም መትኒ ኣጋጢምዎ ዝብል'ዩ ነይሩ ግምቶም። ካብዞም ግምታት ብምብጋስ፡ እቲ ኣቦ ሰለስተ ቈልዑ መጥባሕቲ ክገብር ተወሰነ። መጥባሕቲ ድሕሪ ምግባሩ ግን እቲ ዝስምዖ ዝነበረ ቃንዛ ኣየቋረፀን። ኣብ ክልተ ኣእዳዉ ቃንዛ ቀጺሉ። ናብ ስፔሻሊስት ምስተልኣከ ኸኣ ስኪለሮደርማ ('scleroderma') ዝተባህለ ምትራር ኣካሊት [ቲሹ] ዘስዕብ ሕማም ከምዘለዎ ተነገሮ። እዚ ድማ ንቘርበትን ውሽጣዊ ኣካላትን ዘጥቅዕ ፀገም ጥዕና ምዃኑ ይፍለጥ። ብሰንኪ እዚ ሕማም ኣፍንጫኡ፡ ኣፉን ኣእዳዉን ጉድኣት ክወርዶም እንከሎ፡ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመታት ኣቢሉ ድማ ኣፃብዕቱ ክዕዅለሉ ጀመሩ። ሽዑ ኣዝዩ ከቢድ ቃንዛ ይስምዖ ነይሩ። ኣእዳዉ ከምቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዝተፈላለዩ ስርሓት ክዓመለን ከምዘይከኣለ ዝዛረብ ስቴቨን፡ \"ክልተ ኣእዳወይ ተጠቒመ ዝዀነ ነገር ካብ ምልዓል ሓሊፈ ካልእ ንጥፈታት ከካይድ ኣይከኣልኩን\" ይብል። \"ዝኾነ ነገር ክሕዝ ኣይክእልን፤ ክዳን ምኽዳን ይዅን ካልእ ተመሳሳሊ ነገራት ክዓምም ፈተና ኰይኑኒ\" ክብል ወሲኹ ይገልፅ። ብሰንኪ'ዚ፡ ነቲ ናብራኡ ክመርሕ ዘኽእሎ እቶት ዝረኽበሉ ዚንጐ (ናሕሲ) ገዛውቲ ምስራሕን ምፅብባቕን ሞያኡ ከቋርጽ ተገደደ። ዝሓሸ ሕክምና ንኽረክብ ኣብ ግላስኮ ንዘሎ በዓልሞያ ህክምና መጥባሕቲ ፕላስቲክን ኢድን ክረኽቦ ከም ዘለዎ ዝተሓበሮ ስቴቨን፣ ንፕሮፈሰር ኣንድሪው ሃርት ምስረኸቦ ክልተ ኣእዳዉ ተኣልየን ብኻልኦት ኣእዳው ክትክኣ ከምዘለወን ነገሮ። \"ሽዑ ስሒቐ'የ\" ክብል በቲ ከም መተካእታ ዝተሓበሮ ዓይነት ሕክምና ኣዝዩ ከም ዝተገረመ ይዛረብ። \"ኣነን በዓልቲ ቤተይን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ተዘራሪብና ኣብ ስምምዕ በፂሕና። ብርግጽ ክልተ ኣእዳወይ ዝስእነሉ ኵነታት ክህሉ ይኽእል'ዩ፡\" ዝብል ስቴቨን ኣብ ናይ መወዳእታ ውሳነ ከምዝበጽሐ ይዝክር። ብሰንኪ ዘጋጠሞ ፀገም ጥዕና፡ እዚ ዓይነት ሕክምናዊ መጥባሕቲ ዝተኻየደሉ ፈላሚ ሰብ ከምዝዀነ ይእመን። ክልተ ምስኡ ዝሰማምዑ ኣእዳው ካብ ካልእ ሰብ ብልግሲ ምስ ተረኸቡ፡ 30 ሰብ ሞያ ዝተሳተፉሉ፡ መጥባሕቲ ምትካል ኣእዳው ተኻይዱ። እቲ ሕክምና 12 ሰዓታት ከም ዝወሰደ'ውን ይግለጽ። \"እቲ ሕክምና መጥባሕቲ ምስተኻየደ ነቒሐ፣ ዳርጋ ሕልማዊ እዩ ጥዒሙኒ\" ይብል ነቲ ኵነታት ብምዝካር። ኣስዒቡ፡ \"እዞም ኣእዳው ዘገርሙ እዮም። ኵሉ ነገር ብቕልጡፍ'ዩ ተፈጺሙ። ካብታ ዝነቓሕኩላ ህሞት ጀሚረ፡ ነዘን ኣእዳው ከንቀሳቕሰን ክኢለ፡\" ክብል ተዛሪቡ። ንኣርባዕተ ሰሙን ዝኣክል ኣብ ሆስፒታል ፀኒሑ ዝወጸአ ስቴቨን፡ ክሳብ ሎሚ ንኽትትልን ፊዚዮቴራፒን ናብ ሆስፒታላት ይመላለስ'ዩ። ከም መላጉም ክዳኑ ምዕጻው ዝኣመሰሉ ብልሓት ዝሓቱ ንጥፈታት ክዓምም ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ'ኳ እንተሃለወ፡ ካብቲ ቅድሚ መጥባሕቲ ምትካእ ኣእዳው ዝነበሮ ኵነታት፡ ብዝሓሸ ከልቡ ከጻውት፡ ማይ ክቐድሕን መስተዪ ክጭብጥን ክኢሉ'ሎ። \"ሓድሽ ምዕራፍ ህይወት ሂቡኒ'ሎ። ብርግፅ ክፍጽሞም ዝኸብዱኒ ነገራት'ኳ እንተሃለዉ፡ ካብ ሰሙን ናብ ሰሙን ግን ለውጥታት ኣሎ። ኵሉ ነገር ቀስ ብቐስ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ይሰጋገር ኣሎ፡\" ይብል። ስቴቨን፡ ሕክምና ቅድሚ ምግባሩ ከቢድ ቃንዛ የሕልፍ ከምዝነበረ ብምዝካር፡ ኣብዚ እዋን ግን ዝዀነ ዓይነት ቃንዛ ከምዘይስምዖ ይገልፅ። ሓደ ካብቶም ነቲ ሕክምና ዘካየዱ ፕሮፈሰር ሳይመን ካይ፡ \"ኣእዳው ብሕክምና ምትካል ካብቲ ኩሊት ይዅን ካልእ ክፋል ኣካላት ንምትካእ ዝካየድ መጥባሕቲ ዝተፈለየ እዩ\" ክብል ነቲ ኵነታት የረድእ። \"ኣእዳው ኵሉግዜ እንርእዮምን ንዝተፈላለየ ንጥፈታት እንጥቀመሎምን እዮም። በዚ ምኽንያት ተሓከምቲ ስነልቦናዊ ድልውነቶም ብምድህሳስ ኢና ድልዋት ክዀኑ ንገብሮም፡\" ይብል። ነዚ ዝገብሩሉ ምኽንያት፡ እቶም ሰባት ድሕሪ'ቲ ዝግበረሎም ሕክምና ምትካእ ኣካል፡ ኵነታቶም ተቐቢሎምዎን ለሚዶምዎን ክነብሩ ንምግባር'ዩ። \"ክህሉ ዝኽእል ሳዕቤን፡ ሰብነት ተሓከምቲ ነቲ ካብ ካልእ መጺኡ ዝትክኣሉ ዘሎ ባዕዳዊ ኣካል እንተነጺጕዎ እዩ፡\" ክብል እቲ ፕሮፈሰር፡ ድሕሪ መጥባሕቲ ክህሉ ንዝኽእል ሓደጋ የረድእ። ንስቴቨን ግን እቲ ሕክምና ዓቢይ ምዕራፍ ለውጢ ኰይኑዎ'ሎ። ዝተገጥመሉ ኣእዳው ኣብ ንቡር ብቕዓት ተመሊሱ ስራሕ ክጅምርን ይብህግ።","category":"ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61622745"} {"headline":"ደቆም ናብ መውዓሊ ህጻናት ሰዲዶም መርድእ ዝተነግሮም ወለዲ","content":"ኣብ ታይላንድ ሓደ ብምትካኽ እጸ ፋርስ ክኽሰስ ዝጸንሐ ፖሊስ ነበር፡ ኣብ መውዓሊ ህጻናት ብዝፈጸሞ ጃምላዊ ቅትለት ኣስታት 37 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ እቶም 24 ህጻናት’ዮም። ኣብታ ሃገር ኣስታት 10 ሚልዮን ሰባት ወነንቲ ብረት ከምዝኾኑ ዝተገለጸ ኮይኑ ድሕሪ እቲ ዘስካሕክሕ ቅትለት ግን ሰባት ኣብ ጉዳይ ዋንነት ብረት ሓድሽ ሕጊ ክወጽእ ከምዘለዎ ይጽውዑ ኣለዉ።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ce7297pgj4no"} {"headline":"ኤሚ፡ እታ እንኮ ካብ 24 ዝሞቱ ህጻናት ዝተረፈት","content":"ጓል ሰለስተ ዓመት ኤሚ፡ ኣብ መውዓሊ ህጻናት ጥቓ እታ ትኽ ትንፋስ መሓዛኣ ኰይና ትኽስ ኢላትሉ ኣብ ዝነበረት ግዜ፡ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ታይላንድ ዝርከብ ማእከል ህጻናት መጥቃዕቲ ተፈጺምዎ። ኣብ ክሊ ዕድመ 3 ዝርከቡ ዓሰርተ ሓደ ህጻናት ዝርከብዎ ኤሚ እትመሃረሉ ክፍሊ፡ ብስእልን ጽሕፉን መሊኡ ይርአ ነይሩ። ኣብ ከባቢ ሰዓት ዓሰርተ፡ መምህራን ታሕጓስን ፍሽኽታን ዝዓሰሎ ስእልታት ናይቶም ህጻናት ናብ ወለዶም ሰዲዶም ነይሮም። እንተዀነ፡ ድሕሪ ክልተ ሰዓታት፡ ህጻናት ደቂሶም እንከለዉ፡ ሓደ ኣባል ፖሊስ ነበር ፓንያ ካምራብ ብረትን ካራን ዓጢቝ ንህንጻ እቲ ማእከል ወሪርዎ። እቲ ፖሊስ ነበር ቅድሚ ናብ ነፍስወከፍ መምሃሪ ክፍልታት ምእታዉ፡ ፈለማ ንሰራሕተኛ እቲ ማእከልን ንሓንቲ ብጽሕቲ ወርሒ ነፍሰጾር መምህርን ከምዝቐተለ መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም። ንሱ ንዅሎም መሓዙት መማህርቲ ኤሚ ደቂሶም እንከለዉ ቀቲልዎም። ኤሚ ብኸመይ ከምዝድሓነት ንጹር ኣይኰነን። ኣብ መንጐ እቶም ዝሞቱ ደቂ ክፍላ ተዓዃሊላን ካብ ድቃሳ ተበራቢራን’ያ ተረኺባ። “ካብ ድቃሳ ምስተበራበረት እንታይ ከምዘጋጠመ ዋላ ሓንቲ ኣይትፈልጥን ነይራ” ክብል ወዲ 59 ዓመት ኣቦሓጐኣ ሶምሳክ ስሪቶንግ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ንሱ ኣስዒቡ፡ “መሓዙታ ዝደቀሱ’ዩ መሲልዋ ነይሩ። ሓደ ፖሊስ ንገጻ ብጨርቂ ሸፊኑ ካብቲ ብደም ዝጠልቀየ ክፍሊ ቀስ ኣቢሉ ኣውጺእዋ።” ሰራሕተኛታት ድሕነት ንኤሚ ካብቲ ዘጋጠመ ኣስካሕካሒ ፍጻመ ንምኽዋል ናብ ካልኣይ ደብሪ’ዮም ወሲዶምዋ። ካብኡ ንደሓር ካልኦት ብህይወት ዝተረፉ ሰባት እንተረኸቡ ኢሎም ናብቶም መምሃሪ ክፍልታት ኣቕኒዖም። ኤሚ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ታይላንድ ኖንግ ቡኣ ላምፑ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ዝድሓነት እንኮ ህጻን’ያ። በቲ መጥቃዕቲ ንበዓልቲ ቤትን ወዲ ሰበይቱን እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ሓዊስካ፡ ብድምር 37 ሰባት ክቕተሉ እንከልዉ፡ ካብዚኣቶም እቶም 24 ህጻናት’ዮም። “ብህይወት ምውጽኣ ዕድለኛ’የ። ፈለማ ምስረኣኽዋ ጭብጥ ኣቢለ ሒዘያ” ይብል ኣቦሓጐ ኤሚ። ጓል 35 ዓመት ኣደ ኤሚ፡ ፓኖምፓይ ስሪቶንግ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ናብ ባንኮክ እናኸደት እያ እትሰርሕ። ኣብቲ ማእከል መሐብሐቢ ህጻናት ዝመሃሩ ቈልዑ ኵሎም ሞይቶም ጓላ ግን ከምዝደሓነት ተነጊርዋ። “ኣብ መወዳእታ ንጓለይ ብቪድዮ ደወል ምስረኸብክዋ ሩፍታ ተሰሚዑኒ” ትብል ኣደ ኤሚ። እታ ንእሽቶ ከተማ ብሓዘንተኛታት ተዋሒጣ ዝቐነየት ኰይና፡ ስድራ ኤሚ ንጓሎም እንታይ ኢሎም ክነግርዋ ከምዘለዎም ተሻቒሎም ቀንዮም። ኤሚ ብዛዕባ እቶም ምስኣ ዝውዕሉ መሓዙታ ቀጻሊ ከምእትሓቶም ዝገለጹ ስድራ ኤሚ፡ ኣብ መወዳእታ ግን እቶም ምስኣ ዝውዕሉ ዝነበሩ ህጻናት ኵሎም እንተላይ እታ መምህሮም ከምዝሞቱን እቲ ቤት ትምህርቲ ድማ ከምዝተዓጸወን ነጊሮማ። “መዓልታዊ ናብ ቤት ትምህርቲ ክትከይድ እያ እትደሊ። ንሕና’ውን እቲ ቤት ትምህርቲ ከምዝተዓጸወ ቀጻሊ ኢና እንነግራ እንተዀነ ትርጕም ሞት ንኽትርዳእ ገና ቈልዓ’ያ” ትብል እታ ኣደ። ነቶም ዝሞቱ ቈልዑት ኣብ ኵሎም ኣብያተ መቕደስ እታ ከተማ ጸሎት ይግበረሎም ኣሎ። ቀንዲ መንቀሊ'ቲ መጥቃዕቲ ዝተፈልጠ ነገር የለን። ይዅን እምበር ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ፖሊስ ነበር ካምራብ እጸ ፋርስ ስለዝተጠቐመ፡ ዝሓለፈ ሰነ ካብ ስርሑ ከምዝተባረረ ተፈሊጡ’ሎ። ኣብታ ብሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ ታይላንድ እትርከብ ከተማ ዝነብሩ ወለዲ፡ ድሕቲ እቲ መጥቃዕቲ “ደቅና ብሰላም ዝውዕልሉ ቦታ ኣበይ’ዩ?” ዝብል ሕቶ የልዕሉ ከምዘለዉን፡ ሰበ ስልጣን ድሕነት ዜጋታት ከውሕሱ ከምዘለዎም ይሓቱ ከምዘለዉ ተገሊጹ።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c51gmgr3zd7o"} {"headline":"ደቅና ኣበላሊጽና እንተፈተና 'ሓጥያት' ድዩ?","content":"ጆኣና፡ ካልኣይ ወዳ ኣብ ዝወለደትሉ ህሞት ነቲ ኣብሊጻ ትፈትዎ ቆልዓ ከም ዝረኸበት ፈሊጣ። እታ ኣብ ኬንት ብሪጣንያ እትነብር ኣደ፡ ንኽልቲኦም ደቃ ከም እተፍቅሮም’ኳ እንተገለጸት፡ እቲ ሕሳስ ውላዳ ግን ካብ በዅሪ ውላዳ ብዝተፈልየ “ከምዝምስጣ” ትዛረብ። በዅሪ ወዳ ምስ ተወለደ፡ ብሰንኪ ስክፍታ ጥዕና ሽዑ ካብኣ ስለዝተወስደ ጆኣና ን24 ሰዓታት ኣይረኣየቶን። ካልኣይ ወዳ ምስ ተወለደ ግን ብኡንብኡ ምስኡ ግዜ ከተሕልፍ ክኢላ እያ። ብሰንኪ እዚ ንደቃ ኣብ ዘለዋ ፍቕሪ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ኣፈላላይ ከምዝገበረት ትኣምን። “ምስ ቦኽረይ ንምዝርራብ ቆጸራ ክሕዝ ኣለኒ” ትብል እታ ኣብ ደቃ ጽልዋ ከይፈጥር ብዝብል ምሉእ ስማ ዘይተገለጸ ኣደ። “ምስ’ቲ ንእሽቶ፡ ለይቲ ሰዓት ክልተ ክድውለሉ ይኽእል፡ ንሱ’ውን ንዓይ ክረክብ ክንደይ ርሕቐት ይጓዓዝ’ዩ። እቲ ሕሳሰይ ኣብዛ ፕላኔት እዚኣ እቲ ዝበለጸ ተፈታዊ ወዲ እዩ። ሓላዪ፣ ለጋስ፣ ጭዋን ሕያዋይን’ዩ። ንዝኾነ ሰብ ክሕግዝ ዝኽእል ዓይነት’ዩ” ትብል። ኣብዚ ሕጂ እዋን ጆኣና፡ እቲ ንዓመታት ዝተቓለሰቶ ስምዒታ ከም ዝተቐበለቶ ክትገልጽ እንከላ \"ንምንታይ ካብቲ ሓደ ንላዕሊ ነቲ ሓደ ከም ዘፍቅሮ ዝገልጽ መጽሓፍ ምጸሓፍኩ ነይረ። ከቢድ’ዩ ነይሩ፡ ግን ዝኾነ ጣዕሳ የብለየን” ክትብል ተረድእ። መብዛሕትኦም ወለዲ፡ ዘይከም ጆኣና፡ ዝገብርዎ ኣድልዎ ረቂቕን ዘይተዘተየሉን እዩ። ካብ መንጎ ደቅኻ መሪጽካ ብዝበለጸ ምፍታው እቲ ዝዓበየ ነውሪ ወላዲ ክኸውን ይኽእል፤ ግን መብዛሕትኦም ወለዲ ብሓቂ ኣብሊጾም ዝፈትውዎ ውላድ ከም ዘለዎም መጽናዕትታት ይሕብሩ። ዝወሓደ ተፈታዊ ቆልዓ ምዃን ንስብእና መሰረታዊ ቅርጺ ዝህብን ኣብ መንጎ ኣሕዋት ጽዑቕ ውድድር ክፈጥር ከም ዝኽእልን ዝሕብር ብዙሕ መርትዖታት ኣሎ። ስለዚ ወለዲ ዝፍጽምዎ ፍሉይ ኣተሓሕዛ ተመራጺ ውላድ መስመር ከይስሕት ክጭነቑ ምርኣይ ኣየገርምን። ምስ’ዚ ኩሉ ግን፡ መብዛሕትኦም ቆልዑ፡ ንወለዲ ተመራጺ ውሉድ መን ምዃኑ ክፈልጡ ከምዘይክእሉ’ውን መጽናዕትታት የመልክቱ። ቆልዑ፡ ብዛዕባ እቲ ወለዲ ንተመራጺ ውላድ ዘለዎም ኣረኣእያ ብኸመይ የመሓድርዎ ዝብል እዩ እቲ ቀንዲ ጉዳይ። “ኩሉ ወላዲ ኣብሊጹ ዝፈትዎ ውላድ የብሉን፡ ብዙሓት ግን ኣለዎም” ትብል ጀሲካ ግሪፊን። ንሳ፡ ኣብ ኣሜሪካ ዩኒቨርሲቲ ማሳቹሰትስ ሜዲካል ስኩል፡ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ሕክምና ስነ-ኣእምሮን ሕክምና ህጻናትን እያ። “ብፍላይ ኣዴታት፡ ምስአን ተመሳሳሊ ክብርታት ዘለዎምን ምስ ስድራቤት ዝያዳ ግዜ ዘሕልፉን ቆልዑ፡ ካብቶም ልዑል ድሌት ዘለዎምን ብሞያ ዝድረኹን ቆልዑ ኣብሊጸን ከምዝፈትዋ መረድኢታት ይሕብሩ” ትብል። ብዙሓት ወለዲ፡ ይእመኑ ኣይኣመኑን፡ ምኽንያቱ ብዘየገድስ፡ ኣብሊጾም ዝፈትውዎም ቆልዑ ከም ዘለዎም መጽናዕትታት የመልክቱ። ንኣብነት፡ ኣብ እንግሊዝ ክሳብ 74 ሚእታዊ ኣዴታትን 70 ሚእታዊ ኣቦታትን ኣብ ልዕሊ ሓደ ቆልዓ ብሉጽ ኣተሓሕዛ ከምዘርእዩ ሓደ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ እዩ። መብዛሕትኦም ግን ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ክዛረቡ ኣይመርጹን። ኣብ ሓደ ካልእ መጽናዕቲ ድማ፡ ወለዲ ዳህሳስ ኣብ ዝተገብረሎም እዋን፡ 10 ሚእታዊ ጥራይ ኣብሊጾም ዝፈትውዎ ቆልዓ ከም ዘለዎም ተኣሚኖም። እዚ ድማ ንመብዛሕትኦም ወለዲ፡ ስምዒት ኣድልዎ ብጽኑዕ ዝተሓዝ ምስጢር ስድራቤት ኮይኑ ከም ዝቕጽል ይሕብር። ዝፈትውዎ ቆልዓ ከምዘሎ ዝኣመኑ ወለዲ፡ ሕሳስ ውላድ ከምዝመርጹ የመልክቱ። ካብ ክልተ ቆልዑ ዘለዎም ወለዲ፡ 62 ሚእታዊ ነቲ ንእሽቶይ ውላዶም መሪጾም። ሰለስተን ልዕሊኡን ቆልዑ ካብ ዘለዎም ወለዲ፡ 43 ሚእታዊ ንሕሳስ ውላዶም፡ 25 ሚእታዊ ንማእከላይ፡ 19 ሚእታዊ ድማ ንበዅሪ ከምዝመርጹ ሓቢሮም። ዶክተር ቪጃየቲ ሲንህ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ማውንት ሲናይ ክሊኒካዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ክኢላ እያ። ንሳ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ዝነኣሰ ቆልዓ ዝግበር ኣድልዎኣዊ ኣተሓሕዛ መብዛሕትኡ ግዜ ተርታ ልደት (መስርዕ ዝውለዱሉ ጊዜ) ስዒቡ ምስ ዝመጽእ ማሕበራውን ስምዒታውን ክእለት ዝተኣሳሰር ምዃኑ ትገልጽ። ወለዲ ኣብ ኣተዓባብያ ቆልዑ ዝያዳ ተሞክሮ እናረኸቡ ምስከዱ፡ ንእስነት ደቆም ብኸመይ ክቐርጽዎ ከም ዝደልዩን ኣየኖት ባህርያት ድማ ዝያዳ ኣገደስቲ ከምዝኾኑን ዝሓሸ ሓሳብ ይህልዎም። \"ወለዲ ንሓደ ኣዝዩ ዝመስሎም፡ ንነብሶም ዘዘኻኽሮም፡ ወይ ነቲ ዕዉት ኣተዓባብያ ቆልዑ ዝብልዎ ዘንጸባርቕ ውላድ ናብ ምፍታው የአንፍቱ\" ትብል። “ንኣሽቱ ቈልዑ፡ ኣብ ኣተዓባብያ ደቆም ምስ ግዜን ተመኩሮን ዝያዳ ርእሰ ተኣማንነትን ኽእለትን ብዘማዕበሉ ወላዲ ክዓብዩ ኾኑ ዝያዳ ተኽእሎ ኣሎ” ወለዲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብሊጾም ዝፈትውዎ እኳ እንተሃለዎም፡ ብዙሓት ግን ብሉጽ ኣተሓሕዛ ምሃቦም ኣብ ስምዒት ርእሰ-ዋጋ ውላዶም ነዊሕ ዝጸንሕ ጽልዋ ከምህልዎ ስለ ዝፈልጡ፡ ይጠዓሱ ’ዮም። እዚ ስክፍታ ምሉእ ብምሉእ መሰረት ዘይብሉ ኣይኮነን። “ዘይፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ክስምዖም ኣብ ዝገብሩ ስድራቤት ዝዓብዩ ቈልዑ፡ ዓሚቝ ብቑዓት ናይ ዘይምዃን ስምዒት ከጋጥሞም ይኽእል እዩ” ትብል ሲንህ። “ብገለ መልክዑ ዘይፍተዉ ከምዝኾኑ፡ ወይ ድማ ብኻልኦት ንኽፍቀሩ ዘድሊ ፍሉይ ባህርያት ከም ዘይብሎም ክስምዖም ይኽእል እዩ። ከም ነቲ ስድራቤት እተዋርድ ኮይኑ ዝስምዓካ ስምዒት ፍርሕን ዘይውሕስነትን ከስዕብ ይኽእል እዩ - ቆልዑ ንነብሶም ንምክልኻል ካብ መጠን ንላዕሊ ተወሃሃድቲ ክኾኑ ክጽዕሩ ይኽእሉ” ክትብል'ውን ወሲኻ ተረድእ። እዚ ግን ጭንቀት መብዛሕትኦም ወለዲ ክኸውን የብሉን። ብሉጽ ኣተሓሕዛ ኣዝዩ ፀግዒ ዝሓዘ እንተዘይኮይኑ፡ መብዛሕትኦም ህጻናት እቲ ዝወሓደ ተፈታዊ ቆልዓ ብምዃኖም ከምዘይጽለዉ መርትዖታት ይሕብሩ። “ሓድሓደ ግዜ ወለዲ ፍቕርን ሓልዮትን ኣብ ዘርኣዩሉ እዋን ብግልጺ ርኡያት እዮም” ትብል ሲንህ። “ወለዲ ሓላፍነት ዝስምዖምን ጥንቍቓትን ከምኡ’ውን ናይ ኣድልዎ ስምዒታትቶም ርኡይ ንኸይከውን ዝከኣሎም ዝገብሩ እንተኾይኖም ግን፡ ቆልዑ ንፍቕርን ደገፍን ወለዶም ዘይበቕዑ ከምዝኾኑ ኣይስምዖምን እዩ” በሃሊት'ያ። መብዛሕትኡ እዋን ቈልዑ፡ ወለዶም ንሓዎም ወይ ንሓፍቶም ከም ዝመርጹ ዘይክፈልጡ ይኽእሉ እዮም። ወለዶም ንመን ኣብሊጾም ከምዝፈትዉ ካብ ዝተሓተቱ ህጻናት እቶም ልዕሊ 60 ሚእታዊ ዘለለይዎ ጌጋ ከምዝኾነ መጽናዕትታት ኣመልኪቶም። ብርግጽ ወለዲ ካብቲ ንጽበዮ ንላዕሊ ብሉጽ ኣተሓሕዛ ኣብ ምሕባዕ ኣዝዩ ዝሓሸ ስራሕ ይሰርሑ ስለዘለዉ ክኾን ይኽእል። ወይ’ውን ከምቲ ግሪፊን ትብሎ በቃ እቲ ዝያዳ ተፈታዊ ቆልዓ ብሓቂ መን ምዃኑ ኣብ ምግማት ኣዝዩ ሰነፋት ኢና። \"ቆልዑ ብባህርያዊ መንገዲ ወላዶም ኣብሊጾም ዝፈትውዎ ውላድ ዝፈልጡ እኳ እንተመሰለኩም፡ እቲ መረድኢታት ግን ዘገርም እዩ\" ትብል። “ቆልዑ፡ እቲ በዅሪ ወይ ‘ሕሳስ’ ናይታ ስድራቤት፡ ወይ ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ እታ ስድራቤት ዝወሓደ ጸቕጢ ወለዲ ዘስዕብ ቆልዓ ከምዝፍቶ ክግምቱ ይኽእሉ\" እትብል ግሪፊን፡ ወለዲ ኣብሊጾም ዝፈትውዎ ክህልዎም ጸገም ከምዘይብሉን፡ ዋላ’ውን ትጽቢት ከምዝግበረሉን ትሙግት። ብተወሳኺ ወለዲ ናይ ገበን ስምዒት ክስምዖም ከምዘይግባእ ትዛረብ። ንሳ፡ እቶም ዝወሓደ ተፈታዊ ቆልዓ ኢና ኢሎም ዝኣምኑ ህጻናት ትሑት ርእሰ-ምትእምማንን ዝለዓለ መጠን ጭንቀትን ክህልዎም ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ ኣብ መብዛሕትኡ እዋን ግን ህጻናት ወለዶም ንመን ከም ዝመርጹ ከምዘይፈልጡ ወሲኻ ትገልጽ። ምናልባት ድሕሪ ዅሉ እቲ ዝበለጸ ተፈታዊ ቆልዓ ብሓቂ መን ምዃኑ ክንድ’ዚ ኣገዳሲ ኣይኮነን። ግሪፊን፡ እቲ ፍቱው-ቆልዓ ዝብል ሕንቅልሕንቅሊተይ ኣብ ሞያውን ውልቃውን ህይወታ ርእያቶ እያ፤ ሰለስተ ደቃ ብቐጻሊ እቲ ‘ትፈትዎ’ ቆልዓ መን ከም ዝኾነ ይዋዘዩ እዮም። ዋላ እኳ ኣድልዎ ምፍጣር ኣብ ርክቦም ወይ ኣብ ጥዕና ኣእምሮኦም ጽልዋ የሕድር ከምዘሎ ዝተሰምኦም ወለዲ ወይ ቆልዑ ምስ ሓኪም ህጻናት ወይ ወሃቢ ጥዕና ኣእምሮ ክዛረቡ እንተመኸረት፡ መብዛሕትኡ እቲ ዘይምዕሩይነት ግን ክንክንን ኣቓልቦን ብዘርእዩ ቀለልቲ ሜላታት ክፍታሕ ከምዝኽእል ትኣምን። \"ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት፡ ካብ ምስ ሓደ ቆልዓ ምዃን ምስ ካልእ ቆልዓ ክንከውን እንመርጸሉ መዓልታት ክህሉ'ዩ\" ትብል። “እቲ ክንዝክሮ ዘለና ኣገዳሲ ነገር፡ ምሩጽ ውላድ ኣለና ማለት፡ ንካልኦት ደቅና ዝወሓደ ኢና እነፍቅሮም ማለት ኣይኮነን” ክትብል'ውን ወሲኻ ተረድእ።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c51q3j8qvwko"} {"headline":"‘ኣብ ሰሙን 12 ሰባት ብሕማም ሸኮር ይሞቱ’ - ሆስፒታል ዓይደር","content":"እዚ ዛንታ'ዚ፡ ብሜዲካል ዳይረክተር መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር - መቐለ፡ ዶክተር ክብሮም ገብረስላሰ ዘተዘንተወ እዩ። ሓንቲ መንእሰይ ንዝሓመመት ኣደኣ ሒዛ ናብቲ ሆስፒታል ትመፅእ። ነታ ብኻልእ ሕማም ተወፂዓ ዓራት ዝሓዘት ኣደኣ ተላዕላን ትከናኸናን ነበረት። ሓደ መዓልቲ እታ ህይወት ኣደኣ ክትቕንየላ ትጓየ ዝነበረት ንእስቲ ውነኣ ስሒታ ትወድቕሞ ሓኻይም ተጓዮም ብዝከኣሎም ክሕግዝዋ ፈተኑ። ዝወደቐትሉ ምኽንያት ነቲ ዘሳቕያ ሕማም ሽኮር ዝኸውን ኢንሱሉን ምስኣና ነበረ። “እናረኣናያ እያ ወዲቓ፤ ሽዑ ተጓይና ናብ ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን [‘ኣይሲዩ’] ኣእቲናያ። ክነትርፋ ግን ኣይከኣልናን። ኣብ ጽባሕ እቲ ብሃንደበት ዝወደቐትሉ መዓልቲ ሞይታ” ክብል እታ ህይወት ኣደኣ ክተትርፍ ትጨናነቕ ዝነበረት ንእስቲ ህይወታ ንዝሰኣነትሉ ዘሕዝን ኣጋጣሚ የዘንቱ። ካልእ ኣጋጣሚ’ውን ይዘንቱ። “እታ ካልአይቲ ካብ ገዛኣ ተሰኪሞም’ዮም ኣምፂኦምዋ። ሽኮር ከምዘለዋ’ውን ኣይትፈልጥን ነይራ። ምስ ወደቐቶም ቤተሰባ ተሰኪሞምዋ መጺኦም። መርመራ ምስገበርናላ ሕማም ሽኮር ከምዝዀነ ፈሊጥና” ይብል። ሕማማ እንታይ ከምዝዀነ እንተፈለጡ'ኳ መድሃኒት ክረኽቡላ ብዘይምኽኣሎም ግን ኣብቲ ሆስፒታል ካብ ሓንቲ መዓልቲ ንላዕሊ ብህይወት ክትቕፅል ኣይከኣለትን። ከምዚኦም ዝበሉ ተጓንፎታት ንሰብሞያ ጥዕና ሆስፒታል ዓይደር ልቢ ዝሰብሩ ኰይኖም ቀጺሎም ኣለዉ። ብሰንኪ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝውላዕ ክልተ ዓመት ክመልኦ ሒደት ሰሙናት ተሪፍዎ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ትካላት ጥዕና ትግራይ ንተሓከምቲ ግቡእ ኣገልግሎት ምሃብ ኣብ ዘይክእሉሉ ደረጃ ይርከቡ። ኣብ መቐለ ዝርከብ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር’ውን ብሰንኪ ሕፅረት መድሃኒታት፡ ናውቲ ሕክምናን ቀረብ ኤለክትሪክን ኣብ ኣዝዩ ዝተሓተ ዓቕሙ ከምዝርከብን ወሰንቲ ንዝበሃሉ ኣገልግሎታት ሕክምና ከቋርፅ ከምዝተገደደን ይግለጽ። ኣብዚ ቕነ እቲ ሆስፒታል ንዅነታት ሕሙማት ሽኮር ብዝምልከት ናብ ማሕበር ሕማም ሽኮር፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያን ዓለምለኸ ፈደረሽን ሕማም ሽኮርን ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ግዳያት እዚ ጸገም ጥዕና ኣብ ዝኸፍአ ኵነታት ከምዝርከቡ የመልክት። እቲ ሕማም፡ ኢንሱሊን ብመርፍእ ብምሃብ ከምኡ’ውን ብመልክዕ ዝወሓጥ ከኒና ኣቢልካ ብዝወሃብ ኣገልግሎት ሕክምና ንተሓከምቲ ምሕጋዝ ይከኣል። ኣብ ትግራይ በዞም ዓይነታት ሕክምና ህይወቶም ዘቐጸሉ ሰባት ኣስታት 27 ሽሕ ከምዝዀኑ ዶ\/ር ክብሮም ይዛረብ። “እዞም ተሓከምቲ ኣብ ከባቢኦም ናብ ዝርከቡ ሆስፒታላት እናኸዱ ሕክምና ይረኽቡ ነይሮም። እቲ ኲናት ዳግማይ ምስተወለዐ ግን እቲ መድሃኒታት ናብ ትግራይ ክመጽእ ኣይከኣለን። ኣብ መኽዘን ዝነበረና ተወዲኡ ተወሳኺ ክመጽኣና ኣብ እንፅበየሉ እዋን’ዩ እቲ ኲናት ተወሊዑ፡” ይብል ዶክተር ክብሮም። ንሱ ከምዝብሎ ብፍላይ እቶም ብኢንሱሊን ዝሕገዙ ተሓከምቲ ኵነታቶም ግዜ ዝህብ ኣይኰነን። ብእዋኑ ነቲ ኢንሱሊን ክረኽቡ እንተዘይክኢሎም ናብ ሞትን ካልኦት ዝተሓላለኹ ጸገማት ጥዕናን ክቃልዑ ከምዝኽእሉ’ውን ወሲኹ የረድእ። ካብ መንጐ እቶም ኣስታት 27 ሽሕ ተሓከምቲ ሕማም ሽኮር እቶም ልዕሊ 8 ሽሕ ትሕቲ 14 ዓመት ህጻናት’ዮም። ሓኻይም ንስቅያት እዞም ህጻናት ከዐግስ ዝኽእል መድሃኒት ስለዘይብሎም ምስቶም ተሓከምቲ ካብ ምሕዛን ዝሰገረ ካልእ ዓቕሚ የብሎምን። ነቶም ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ካብ ፈደረሽን ሕማም ሽኮር ዓለም [‘ኢንተርናሽናል ፌደሬሽን ኦፍ ዲያቤቲስ’] ዝቐርበሎም ነጻ ሓገዝ መድሃኒት ኢንሱሊን ነይሩ’ዩ። ዶ\/ር ክብሮም፡ “ኣብዚ እዋን ግን ብሰንኪ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም እቶም ልዕሊ 8 ሽሕ ትሕቲ 14 ዓመት ዝዕድመኦም ህፃናት ትግራይ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቘም ይርከቡ” ክብል ነቲ ዘሎ ኵነታት ይገልጽ። “ህጻናት ብቐጻሊ ይሞቱና ኣለዉ። ብዙሓት ሰባት መድሃኒት ወይ ኢንሱሊን ከምዘይብልና ስለዝፈለጡ ናባና ምምፃእ ኣቋሪፆም’ዮም። ስለዚ ናብዚ ከመይመጽኡ ኣብ ገዛኦም ዝሞቱ ብዙሓት’ዮም” ይብል እቲ ዶክተር። ብዘይካ’ቲ ዝኸፍአ ሞት ዘጋጥሞም ሰባት፡ ካልኦት ብዙሓት ብሰንኪ እቲ ሕማም ንኸቢድ ሕማም ዓይኒ፡ ሕማም ኵላሊትን ካልእን ተቓሊዖም ኣለዉ። “ከኒና ወይ ኢንሱሊን ኣብ ሓጺር ግዜ ክርከብ እንተዘይክኢሉ ብዙሓት ሰባት ብህይወት ዝጸንሑሉ ዕድል ዝጸበበ እዩ ክኸውን። እቶም ኣብ ገዛኦም ዘለዉ ተሓከምቲ’ውን ዝነበራኦም መድሃኒት እንተተወዲአን ህይወቶም ክትቅጽል ከቢድ ክኸውን’ዩ” ክብል ነቲ ዘሎ ኵነታት የረድእ። ብፍላይ ሕዱር ሕማም ዘለዎም ሰባት ናብ ሆስፒታል ዓይደር ብቐጻሊ ስለዝመላለሱ ኣብ መንጐ ተሓከምትን ሰብሞያ ጥዕናን ዝህሉ ርክብ ስጡም ከምዝዀነ ዶ\/ር ክብሮም ይዛረብ። “እዞም ተሓከምቲ ሕማም ሽኮር ተሓከምቲ ድማ ንነዊሕ ዓመታት ምሳና ዝጸንሑ እዮም። ምስ ነርስን ካልኦት ሰብሞያ ጥዕናን ከም ቤተሰብ እዩ ምቅርራቦም። ኣብ ኵሎም ሆስፒታላት ብስም ከይተረፈ እዮም ዝፋለጡ” ክብል ነቲ ኵነታት ይገልጾ። ቅድሚ እቲ ኲናት ኣብ ዝነበረ እዋን ወርሓዊ ናብቲ ሆስፒታል እናመጽኡ መርመራ ምስተገበረሎም መድሃኒትን ምኽርን ተዋሂብዎም ይምለሱ ነይሮም። ሎሚ ዘሎ ኵነታት ግን ዝተፈለየ ኰይኑ’ሎ። “መጺኦም ‘መድሓኒት የለን’ ኢሎም ከፋንውዎም ከለዉ ብጣዕሚ እዮም ዝስንብዱ። ምኽንያቱ መድሃኒት እንተዘይወሲዶም ኣብ ህይወቶም ከጋጥሞም ብዛዕባ ዝኽእል ሓደጋ ንምህሮም ኢና ነይርና። ስለዚ ሎሚ ‘መድሃኒት የብልናን’ ክንብሎም ከለና እቲ ዅሉ ንምዕዶም ዝነበርና ነገር’ዩ ናብ ዓይኖም ዝመጽእ” ይብል እቲ ዶክተር። ገሊኦም ንብዓቶም ሓይልዎም ጸረር ከብሉ ከለዉ ገለኦም ድማ ነቶም ሓኻይም ‘ኣድሕኑና. . .! ጸገምና ዓለም ንኽፈልጦ ግበሩ’ ክብሉ ይምሕጸንዎም። ነዚ ሓዘንን ንብዓትን እናረኣዩ ድቃስ ዝሰኣኑ ሰብሞያ ጥዕና ዓለም ምስ ዝተፈላዩ ኣካላት ክረኸቡን ነቲ ዘሎ ኵነታት ከረድኡን ካብ ምፍታን ብተወሳኺ፡ ነቶም ተሓከምቲ ብሓጸርቲ ቪድዮታት መልእኽቲ ከሕልፉ ብምግባር፡ ሓገዝ ክገብሩሎም ዝኽእሉ ኣካላት ክፈልጡሎም ይፅዕሩ ኣለዉ። “መዓልታዊ ኣብ ክሊኒክ ሕማም ሽኮር ክሊኒክ ዝርአ ሓዘንን ብኽያትን ልብኻ ዝሰብር’ዩ። ብዝተኻእለና መድሃኒት ዝኣትወሉ ኵነታት ንኽፍጠር ኢና ንጽዕር ዘለና። ብፍላይ ናይቶም ትሕቲ ዕድመ ዝዀኑ ህጻናት እንተርኢና እቲ ስቓይ ኣብ ወለዶም እውን’ዩ ዝበጽሕ” ይብል ዶ\/ር ክብሮም። እቶም ኣስታት 27 ሽሕ ተሓከምቲ ሕማም ሽኮር፡ ቅድሚ ኲናት ኣብ ዝነበረ እዋን ብምርመራ ሃለዋት እቲ ሕማም ዘረጋገጹ እዮም። ኣብዚ እዋን ግን እዅል ኣገልግሎት ሕክምናን መሳርሒታት መርመራን ብዘይምህላዉ መራመራ ገይሮም እቲ ሕማም ከምዘለዎም ዘይፈለጡ ኣሽሓት ከምዝህልዉ እዩ ዝኣምን። ቅድሚ መዓልታት ሆስፒታል ዓይደር ናብ ማሕበር ሕማም ሽኮር ኢትዮጵያ፡ ዓለምለኸ ፈደረሽን ሕማም ሽኮርን ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያን ደብዳበ ጽሒፉ ነይሩ። እቲ ደብዳበ ነቲ ዘሎ ኵነታት ተሓከምቲ ሕማም ሽኮር ዘረድእ ኰይኑ ቅልጡፍ ሓገዝ ድማ ይጠልብ። ዶ\/ር ክብሮም ከምዝብሎ ዓለምለኸ ፈደረሽን ሕማም ሽኮር ናብ ኢትዮጵያ ዝልእኮ መድሃኒታት ብምህላዉ ናብ ትግራይ እውን ይበጽሕ ነይሩ። “ንዅሉ ኢትዮጵያዊ ተሓካሚ ሽኮር ክበጽሕ ብዝብል’ዩ ብፍላይ እቲ መድሃኒት ኢንሱሊን ብነጻ ዝመፅእ። ስለዚ እቲ ናትና ብጽሒት ኣብኡ ተሓዊሱ እዩ ዝለኣኽ” ዝብል እቲ ዶክተር፡ ማሕበር ሕማም ሽኮር ኢትዮጵያ ነቲ መድሃኒት ናብ ትግራይ ክበጽሕ ኣብ ምግባር ክተሓባበሩ ምጽንሖም ይጠቅስ። ዓለምለኸ ፈደረሽን ሕማም ሽኮር ቅድሚ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ናብ ትግራይ ኢንሱሊንን ካልእ መድሃኒት ሽኮርን ብቕልጡፍ ክበጽሕ ንምግባር ዝጠልብ ሕቶ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝለኣኸ ሓቢሩ ነይሩ። ተሓከምቲ እዚ ሕማም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቘም ከምዝርከቡ ዘመልከተ እቲ ፈደረሽን፡ መድሃኒት ክበጽሕ ዝከኣለሉ ኵነታት ክፍጠር ሓቲቱ’ሎ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሆስፒታል ዓይደር ዝተጸሓፈ ደብዳበ ካብ ማሕበር ሕማም ሽኮር ኢትዮጵያ ምላሽ ከምዝረኸበ ዝገለጸ ዶ\/ር ክብሮም፡ “በቲ ዓለምለኸ ፈደረሽን ካብ ዝተለኣኸ መድሃኒታት ሕማም ሽኮር እቲ ናይ ትግራይ ብጽሒት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝርከብ ነጊሮምና ኣለዉ” ኢሉ። “ዝዀነ መገዲ እንተረኺብና ክንልእከልኩም ኢና ዝብል መልሲ ሰዲዶምልና። እዚ ምባሎም ጽቡቕ እዩ፤ ግን ድማ ቀይሕ መስቀል ፍቓድ ተዋሂብዎ ብቕልጡፍ  ናብ መቐለ ከምጽኣልና እንተዝግበር ንብል፡” ክብል ተላብዩ። ሞያውያን ተመራመርቲ እቲ ዓውድ ንሕማም ሽኮር ኣብ ክልተ እዮም ዝኸፍልዎ። እቲ ቐዳማይ ዓይነት ቁጽሪ ሓደ ( ታይፕ-1) ዝበሃል ኰይኑ መብዛሕቱ ግዜ ካብ ስድራ-ቤት ብተወርሶ ዝሓልፍ ዓይነት ሕማም እዩ። እቲ ካልኣይ ዓይነት ከኣ ቁጽሪ ክልተ( ታይፕ-2) ዝበሃል ኰይኑ መብዛሕቱ ግዜ ንማእከላይ ዕድመ ኣብ ኣርበዓታትን ልዕሊኡን ዕድመ ንዘለው ዘጥቅዕ ዓይነት ሕማም እዩ። ይዅን እምበር ሕማም ሽኮር ንሕጻናት፡ ቈልዑን፡ ኣብ ኣካላቶም ልዑል መጠን ስብሒ ዘለዎም መንእሰያት እውን የጥቅዕ እዩ። ፍልልይ ሕማም ሽኮር ቁጽሪ ሓደን ክልተን፡ እቲ ቐዳማይ ብቐጥታ ብመርፍእ ዝወሃብ ኢንሱሊን ክሕከም እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ግን ኣብ ሰብነትና ንዘሎ ውሑድ ዓቐን ኢንሱሊን ንምብርባር ዝሕግዝ ዝተፈላለየ ዓይነት መድሃኒታት ብምውሳድ ንመጠን ሽኮር ኣብ ደምና ምቍጽጻር ይከኣል። እቲ ጽቡቕ ነገር፡ ናይዚ ሕማም፡ ተማሂሩን ተሓቢሩን ክጥንቀቕ ንዝኽእል ሰብ ዝኸውን እኹል ፍልጠትን ተመኩሮን ምህላው እዩ። ብፍላይ ንሕማም ሽኮር ቁጽሪ ክልተ ቅድሚ ዝኣገረ ክትከላኸላን እንተነፊዕካ ምሉእ ብምሉእ ከተርሕቕ፣ እንተነኣሰ ከኣ ኣዚኻ ከተደናጉያን ክትቈጻጸራን ይከኣል እዩ። እቲ ዝኸፍአ ጸገም ሕማም ሽኮርያ፡ ብፍላይ ከኣ ናይቲ ዓይነት ቁጽሪ ክልተ፡ ዝዀነ ሰብ ዝዀነ ምልክት ከየርኣየን ሕማም ከይተሰመዖን፡ እቲ ሕማም ኣብ ኣካላቱ ንኣስታት 10 ዓመት እውን ክጸንሕ ዝኽእል ምዃኑ እዩ። ኣብዚ እዋን'ዚ ከኣ እቲ ሕማም ብውሽጢ ውሽጢ ንዝተፈላለዩ ዋህዮታት ኣካላትና፡ ንኵላሊትና፡ ነዒንትና፡ ንጸላም ከብዲ፡ ወዘተ የጥቅዕን ይጐድእን። ስለዚ እንተተኻኢሉ ዋላ እውን ዝዀነ ሕማም ኣይሰመዓና፡ ኣብ ሸሽዱሽተ ወርሒ ኣካላትና ከመይ ከምዘሎ፡ መጠን ብዝሒ ደም፡ ኮሌስትሮል (መጠን ስብሒ ኣብ ሻምብቈታት ደምና) መጠን ብዝሒ ሽኮር ኣብ ደምና ወዘተ ክንምርመርን ኵነታትና ክንፈልጥን ኣገዳሲ እዩ። እቲ ዝበዝሕ ግዜ ብተወርሶ ካብ ስድራ-ቤት ዝመሓላለፍ፡ ዓይነት ቍጽሪ ሓደ (ታይፕ-1)፡ ሕማም ሽኮርያ እንተሒዙካ ግን፦ ኣብ ኣካላትና፡ መጠን ሽኮር ካብቲ ዝግበኦ ንላዕሊ እንተበዚሑ ውነና ከነጥፍእን ኣብ ኮማ ክንኣቱን ንኽእል፤ ከም ሳዕቤኑ ኣካላትና ዘልምስ ወቕዕን ሞትን እውን ከስዕብ ይኽእል።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2n5r41218o"} {"headline":"ገለ ህጻናት ስለምንታይ ትኹረትን ኣቓልቦን ይሓጽሮም? ወለዲ ክፈልጥዎ ዝግባእ ጸገም","content":"ዶክተር ናኦድ ፍርዱ፡ ገና ቈልዓ ከሎ፡ ዘይከም መዛኑኡ፡ ኣብ ሓደ ቦታ ንነዊሕ እዋን ክጸንሕን ክተኰርን ይጽገም ነይሩ። ኣብ ግዜ ንእስነቱ ካብ መጠን ንላዕሊ ቅልጡፍ ህጻን ከምዝነበረ ዶክተር ናኦድ ይገልጽ። “ኣብቲ ብገመዳት ኤለክትሪክ ዝተመልአ ደርቢ ገዛና ክዘዋወር ከለኹ እዝክር። ዘይድይቦ ኦም ኣይነበረን። ብሓፈሻ ኣብ ውሽጠይ ጽዑቕ ጸዓት ነይሩኒ” ይብል። ዶክተር ናኦድ፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ፡ ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ፡ ቤት ትምህርቲ ጥዕና ሕብረተሰብ ሓላፊ ክፍሊ ኤፒዲሚዮሎጂ እዩ። ህጻናት ጸወታ ይፈትዉ። ምጉያይን ምዝላልን ባህርዮም እዩ። ይኹን እምበር፡ ህጻናት ብዝተፈልየ መገዲ ንነገራት ኣቓልቦ ክህቡ እንተዘይክኢሎም፡ ወይ ዝያዳ ዘዕገርግሩ ወይ ከኣ ወትሩ ህድእ ክብሉ ዝጽገሙ እንተኾይኖም፡ ወለዲ ኣቓልቦ ክገብሩሉ ዝግባእ ጸገም ክህሉ ይኽእል። እዚ ድማ Attention-deficit\/hyperactivity disorder (ADHD) ተባሂሉ ይፍለጥ። ቀንዲ ምልክታት ኤዲኤችዲ፡ ነገራት ቀልጢፍካ ምዝንጋዕ፡ ዝጀመርካዮ ነገር ንምውዳእ ምጽጋም፡ ብሓንሳብ ዝተፈላለዩ ነገራት ምፍጻም፡ ብሰንኪ ዕሸዕሽነት ምግጋይ፡ ብግቡእ ዘይምስማዕን ትእዛዛት ተረዲእኻ ዘይምፍጻምን እዮም። ካልኦት ምልክታት ድማ ንነዊሕ እዋን ምዝራብ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር፡ ፍርሒ ሓደጋ ትሑት ምዃን፡ ከምኡ’ውን ሰባት ዘረብኦም ክሳብ ዝውድኡ ዘይምጽባይን ምቁራጽን ይርከብዎም። ሓደ ሰብ ኤዲኤችዲ ኣለዎ ድዩ የብሉን ዝብል ግን ብሓካይም ብሓያሎ መዐቀኒታት ይረጋገጽ። ዶክተር ናኦድ ናይ ባዕሉ ታሪክ ብምክፋል ህፃናት ግዳያት ኤዲኤችዲ ምዃኖም ዘይተረድኡ ስድራቤታትን ሕብረተሰብን ከም ረበሽቲ ቆጺሩ ኣብቶም ህጻናት ዘስዕቦ መቕፃዕትን ኣድልዎን ገና ኣብ ንእስነቶም ንሕማም ጭንቀትን ዋላ እውን ንቅልውላው መንነትን ከሳጥሖም ከምዝኽእል የረድእ። እዚ ብፍላይ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝያዳ ከም ዝረአ ዝዛረብ ዶክተር ናኦድ፡ ኣእምሮኣዊ ኩነታቱ ንነዊሕ ሰዓታት ኣብ ሓደ ቦታ ኮፍ ክብል ዘየኽእሎ ቆልዓ ምውላድ ኣዝዩ ከምዘጨንቕ ይገልጽ። 10 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኣሜሪካ ብኤዲኤችዲ ከም ዝጥቅዑ ኣብታ ሃገር ዝተኻየዱ መጽናዕትታት የመልክቱ። እዚ ማለት ኣስታት ሽዱሽተ ሚልዮን ሰባት እዩ። ኣብ ብሪጣንያ 3.5 ሚእታዊት ህጻናትን 2 ሚእታዊት ዓበይቲ ሰባትን በዚ ናይ ኣእምሮ ጸገም ይሳቐዩ። ኤዲኤችዲ፡ የማናይ ቅድሚት ክፍሊ ሓንጎል ትሑት ምዕባለ ምስ ዝህልዎ ዘጋጥም ጸገም ጥዕና ኣእምሮ እዩ። እዚ ጸገም ምዕባለ ሓንጎል ብቐንዱ ብውርሻ ዝመጽእ ኮይኑ፡ ሽጋራ ዘትክኻ ነፍሰጾር ኣዴታት ደቀን ኤዲኤችዲ ናይ ምምዕባል ተኽእሎኦም ዝለዓለ ምዃኑ መጽናዕትታት ይሕብሩ። ዶክተር ናኦድ ወላዲ ኣቡኡ’ውን ጸገም ኤዲኤችዲ ከም ዝነበሮ ይዛረብ። ይኹን እምበር፡ ንሱ ዶክተር ኮይኑ ኤዲኤችዲ ከም ዘለዎ ክሳብ ዝፈልጥ ኣቡኡ ኣይፈልጡን ነይሮም። ሓደ ኤዲኤችዲ ዘለዎ ሕጻን ኣቐዲሞም ከለልዩ ዝኽእሉ ስድራቤታትን መምህራንን ከምዝኾኑ ዶክተር ናኦድ ይገልጽ። ስድራቤታት ወይ መምህራን፡ ቆልዑ ኣቓልቦ ዝሓትት ንጥፈታት ክገብሩን ናይ ቤት ትምህርቲ ዕዮኦም ክሰርሑን ዘይደልዩ እንተኾይኖም እዚ ሓደ ምልክት ክኾኖም ይኽእል። ብተወሳኺ፡ ዝኾነ ሕቶ ክሕተቱ ከለዉ እቲ ሕቶ ክሳብ ዝውድእ ከይተጸበዩ ንምምላስ እንተተሃዊኾም፡ መዓልታዊ ክስርሑ ዝግበኦም ስሩዕ ዕማማት እንተረሲዖም፡ ነቶም ምልክታት ብቐረባ ምክትታል ከምዘድሊ ዶክተር ናኦድ ይላቦ። እዚ ኩነታት እዚ፡ ምስ ኣተዓባብያን ኣተሓሕዛን ህፃናት ዝተተኣሳሰር ናይ ባህሪ ፀገም ተገይሩ ስለዝሕሰብ፡ ብዙሓት ሰባት ብቁጥዐን መቕፃዕትን ክእረም ከምዝኽእል ይኣምኑ። ይኹን እምበር፡ ብተፈጥሮ ዝመጽእ ድሩት ምዕባለ ኣእምሮ ስለዝኾነ፡ ምስ ክኢላታትን መምህራንን ክትትል ምግባርን ምምኽኻርን የድልዮ’ዩ። “ዋላ እቶም ህጻናት ጥዑያት እንተሃለዉ፡ ኩሉ ሰብ ንኤዲኤችዲ፡ ልክዕ ከም ሽኮርን ጸቕጢ ደምን ክፈልጦ ይግባእ። ምኽንያቱ ኤዲኤችዲ ንብዙሓት ሰባት ዝጸሉ ድሩትነት ስለዝኾነ\" ይብል ዶክተር ናኦድ። ብመሰረት መዐቀኒታት ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ከምዚ ዓይነት ድሩት ኣእምሮኣዊ ምዕባለ ዘለዎም ህጻናት ከለልዩ ዝኽእሉ መሕተቲታት፡ ነቲ ጸገም ንምልላይ መበገሲ ክኾኑ ይኽእሉ። ኣብ መላእ ዓለም ካብ 100 ህጻናት እቶም 10 ኤዲኤችዲ ዘለዎም ክኸውን ከሎ፡ ኣድላዪ ዝኾነ ሕክምና እንተረኺቦም፡ ኣዝዩ ክመሓየሹ ከምዝኽእሉ መጽናዕትታት የመልክቱ። እዚ ዓይነት ድሩትነት ዘለዎም ዓበይቲ ሰባት ብተመሳሳሊ ፍታሕ ሕክምና ዘደንቕ ውጽኢት ርእዮም እዮም። ብፍላይ ስድራቤታት፡ ንህጻናት መዓልታዊ ዕማሞም ከይረሰዑ ክሰርሑ፡ ስሩዕ ናይ ጸወታን መጽናዕትን ግዜ ከለማመዱ፡ ከምኡ’ውን ከም ቦርሳን ናውቲ ቤት ትምህርትን ኣብ ውሱን ቦታ ምቕማጥ ክለማመዱ ክሕግዙ ኣለዎም። መጽናዕትታት፡ ክሳብ 40 ሚእታዊት ካብቶም ኤዲኤችዲ ዘለዎም ህጻናት ሓገዝ እንተረኺቦም ክሓውዩ ከም ዝኽእሉን፡ ኣብቶም 60 ሚእታዊት ድማ ክሳብ ኣባጽሕ ከም ዝቕጽልን ይሕብሩ። ዶክተር ናኦድ ከም ዝብሎ፡ ከም ስነ-ኣእምሮኣዊ ምኽሪ፡ ናይ ባህሪ ስልጠናን ካልእ ሕክምናታትን ዝኣመሰሉ ሕክምናዊ ደገፍ ካብ ምርካብ ብተወሳኺ፡ ንኤዲኤችዲ ዝወሃቡ መድሃኒት ከም ቀንዲ መፍትሒ ይቑጸሩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝወሃብ መድሓኒት ከም ዘየለ ይዛረብ። ህጻናት መብዛሕትኡ ግዜ \"ረበሽቲ፡ መዕገርገርቲ\" እዮም ኣብ ክንዲ ምባል፡ ክእረም ዝኽእል ናይ ምዕባለ ድሩትነት'ዩ ኢልካ ምሕሳብ ስለዘይተለምደ ዘተሓሳስብ'ዩ\" ይብል። ኤዲኤችዲ ዘለዎም ሰባት፡ መኪና እናዘወሩ እንተኾይኖም፡ ንመኪና ሓደጋ ናይ ምቅላዕ ተኽእሎኦም ዝለዓለ ከምዝኾነ ከምኡ’ውን ኣብ ሓዳር ዝተፈለላዩ ጸገማት፡ ወልፊ፡ ገንዘብ ምጥፋእ፡ ኣብ ስራሕ ውጽኢታዊ ዘይምዃን ንነዊሕ ግዜ ምንባብ ዘይምኽኣል ዝኣመሰሉ ጸገማት ከጋጥምም ከምዝኽእል መጽናዕትታት የመልክቱ። ስለዚ ድማ እዩ ዶክተር ናኦድ ንኤዲኤችዲ ኣቓልቦ ምሃብን ምድጋፍን ካብ ንውልቀሰብ ንላዕሊ ንሕብረተሰብ ኣገዳሲ እዩ ዝብል። ዶክተር ናኦድ ብዛዕባ ኤዲኤችዲ መጽናዕቲ ይገብር ከምዘሎን ናይ ገዛእ ርእሱ ምስክርነት ብምሃብ ደገፍ ስለዝረኸበ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከምዝርከብን ይገልጽ። ብዙሓት ግን ብሰንኪ ዘይምርድዳእ ወለድን ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ሰባትን፡ ተመሳሳሊ ደገፍ ስለዘይረኽቡ፡ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ድሩትነቶም ንህይወቶም ክደፍኡ ይግደዱ። ስለዚ ለውጢ ንምምፃእ ብቐንዱ ስድራ፡ ኣብ ከባቢ እቶም ህፃናት ዝርከብ ማሕበረሰብን መምህራንን ብቐረባ ዝገብርዎ ክትትልን ደገፍን ወሳኒ እዩ።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cy7vlv4eqn8o"} {"headline":"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኽልተ ኣሕዋት ህጻናት ብዘሰክሕ ዝቐተለት ሰራሕተኛ ገዛ ንሞት ተፈሪዳ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ንደቂ ክልተን ሰለስተን ዓመት ሓውን ሓፍትን ህጻናት ብኣሰቓቒ ኣገባብ ዝቐተለት ሰራሕተኛ ገዛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ብሞት ክትቅጻዕ ወሲኑ። እዛ ንሞት ተፈሪዳ ዘላ ጓል 19 ዓመት መንእሰይ፡ ክሳብ መስርሕ ፍርዲ ሞት ዝፍጸም፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቃሊቲ ክትጸንሕ ተወሲኑ ኣሎ። ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝፍጸም ገበናት ኣኽባሪ ሕጊ ዳይረክቶረይት፡ ብ 1 መስከረም 2022 ኣብ ክፍለ ከተማ ባለሚኩራ ኣራበሳ ኮንዶምንዮም ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ቦታ፡ ሰራሕተኛ ገዛ ኰይና ኣብ እትሰርሓሉ ዝነበረት ገዛ፡ ምኽንያቱ ብዘይተፈለጠ ንኽልተ ህጻናት ኣሕዋት ብኣሰቓቒ ኣገባብ ቀቲላ ብምባል፡ ነቲ ክስተት ኣብ ከቢድ ገበን ብምስፋር፡ 25 ጥቅምቲ 2022 ኣብ ልዕሊ ህይወት መኮነን ተደራራቢ ክስታት ምምስራቱ ዝዝከር’ዩ። ተከሳሲት፡ ኣብ እንዳ ፖሊስን ኣብ ቤት ፍርድን ዝሃበቶ ቃል እምነትን ክሕደትን ምርኩስ ብምግባር፡ ኣኽባሪ ሕጊ ክሲ ብምምስራት ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ ነቲ ገበን ምፍጻማ ኣብ ዝሓተተሉ፡ “ነቲ ቅትለት ኣይፈጸምክዎን ገበነኛ ኣይኰንኩን” ኢላ’ኳ እንተኸሓደት፡ ነቲ ገበን ምፍጻማ ኣኽባሪ ሕጊ ናይ ሰብን ሰነድን መርትዖታት ናብ ቤት ፍርዲ ስለዘቕርበ፡ ቤት ፍርዲ፡ መሰኻኽር ኣኽባሪ ሕጊ ነቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ ክስታት ከምዝፈጸመቶ ስለዘረጋገጹ፡ ከቢድ ገበን ቅትለት ከምዝተፈጸመ ስለዘረጋገጸን፡ ተኸሳሲት ናይመከላኸሊ ሓሳብ የብለይን ስለዝበለት ቤት ፍርዲ ገበነኛ’ያ ዝብል ውሳነ ኣሕሊፉ። በዚ መሰረት ቤት ፍርዲ ትማሊ 5 ታሕሳስ 2022 ኣብ ዝወዓሎ መጋባእያ፡ ተኸሳሲት ብሞት ክትቅጻዕ ውሳነ ኣመሓላሊፉ። ተኸሳሲት፡ ቅድሚ ሕጂ ገበን ፈጺመ ኣይፈልጥን’የ፡ ስለዘይተመሃርኩ ብጉድለት ፍልጠት ዝፈጸምክዎ’ዩ፡ ገበነይ ፈሊጠ ንፖሊስ ባዕለይ ኢደይ ስለዝሃብኩ ዝብል ዝርከቦ ሓሙሽተ መቓለሊ ፍርዲ’ኳ እንተኣቕረበት እቲ ቤት ፍርዲ ግን ነቲ ሓሳብ ነጺግዎ። ቤት ፍርዲ፡ ካልኦት ተመሳሳሊ ገበን ከይፍጽሙ መአረምታ ይኸውን’ዩ ብምባል ተኸሳሲት ብሞት ክትቅጻዕ ውሳነኡ ኣሕሊፉ ኣሎ። ተከሳሲት ህይወት መኮነን፡ ብ 1 መስከረም 2022 እያ ነቶም ደቂ ክልተን ሰለስተን ዝዕድመኦም ሓውን ሓፍትን ህጻናት ብኣሰቓቒ ኣገባብ ቀቲላቶም።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ck54lzy2gz5o"} {"headline":"ንመንእሰያት ኣደዳ ጭንቀት ዝገብር ዘሎ ‘ዓው ኢልካ ዘይዝረቦ’ ጉዳይ","content":"ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት መንነታ ክፍለጠላ ኣይትደልን። ንሕና’ውን ንኸይትፍለጥ ብዝብል ዛንታኣ ‘ቅድስት’ እናበልና ክንጽውዓ ኢና። ቅድስት መልቀቒ ፈተና ካልኣይ ደረጃ ሎምዘበን እያ ወሲዳ። እቲ ሎሚ ምስ ቢቢሲ ኣራኺብዋ ዘሎ ርእሰ ጉዳይ ግን ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተፈጸመ’ዩ። “ምስ ሓደ ምሳና ዝመሃር ወዲ ክፍልና ናይ ዓይኒ ፍቕሪ ሒዙኒ ነይሩ” ኢላ ዛንታኣ ትጅምር፤ ፍሕፉሕ ዝብል ፍቕሪ። ብጸቕጢ መሓዙታ ብፍርሒ ተወሪራ እቲ ‘ናይ ልበይ’ ዝበለቶ ነገር ነጊራቶ። ምላሽ እቲ ዘፍቀረቶ ወዲ ግን ኣይከም ትጽቢታን፤ ሓዚናን ክፍእ ኢልዋን። እቲ ዘሕዘና ጉዳይ ብዙሕ መልክዕ ነይርዎ። “ሓንሳብ ሓንሳብ ንምንታይ’የ ንመሓዙተይ ዝነገርኩወን?” ትብል። መሓዙታ ንዓኣ ኣብ ዝርእያሉ ቀንዲ መዘራረቢ ዛዕባአን፡ ‘ፍቕሪ ሕቶ’ ቅድስት እዩ ዝኸውን። ነቲ ዝተፈቐረ ወዲ ኣብ ዝርኣያሉ እውን ብተመሳሳሊ፡ ዕላለን ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ካብ ዝኸውን ውዒሉ ሓዲሩ እዩ። ጭንቀት ቅድስት ኣብ ቤት ትምህርቲ ተወሊዱ ቀስ ብቐስ ናብ ገዛኣ'ዩ በጺሑ። “ስድራይ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣይፈልጡን” እትብል ቅድስት፡ ጥራውዝታ ቀሊዓ መጽናዕቲ ክትጅምር፣ ኣብ ዓራት ተጋዲማ'ውን ዀይና ኣብ ኣእምሮኣ እናተመላለሰ ዝርብሻ ዘሎ እቲ ዘፍቀረቶ ወዲ ክፍላ’ዩ። ንሳ፡ ኣብ ትምህርቲ ብዙሕ መገዲ ካብ ዝተጓዕዙ ስድራ ስለዝተወለደት፡ ኣብ ትምህርታ ንፍዕቲ እትበሃል ኰይና ወለዳ’ውን ብትምህርቲ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ክርእይዋ ዝምነይዋ መንእሰይ እያ። ብፍላይ ኣቦኣ ‘ኣሰረይ ዝተኸተለት ጓለይ” ኢሉ ዝሕበነላ ተመሃሪት’ያ። ብተደጋጋሚ መውጽኢት ኣፍ “ዛ’ጓለይ ትምህርትኺ ብዝግባእ ኣጽኒዕኪ ሓዚ” እትብል ዘረባ’ያ። ቅድስት ግን እቲ ካብ ልባ ዘፍቀረቶ ወዲ ክፍላ ንፍቕራዊ ሕቶኣ እወንታዊ ምላሽ ዘይምሃቡን ወለዳ በቲ ንሶም ዝጽበይዋ ደረጃ ትምህርቲ ዘይምንፋዓን ከጨንቓ ጀሚሩ’ዩ። ካብ ገዛኣ ናብ ቤት ትምህርታ፣ ካብ ቤት ትምህርታ ናብ ገዛኣ እንተዘይኰይኑ ካልእ መዋጽኦ ስኢናትሉ። “ካልእ ሰብ ዝዀንኩ’ዩ ተሰሚዑኒ፤ ዘሐጕሰኒ ነገር ስኢነ። ዓይነይ ሰለም ከየበልኩ ድቃስ'ውን ሓሪሙኒ። በቃ ካልእ ሰብ እየ ኰይነ።” ኣብዚ ግዜ’ዚ ቅሩብ ዕረፍቲ እትረኽበሉ ‘ናተይ’ ምስ እትብለን መሓዙታ ክትከውን እንከላ’ዩ። እዚ ድማ ኵሉሳዕ ዝኸውን ኣይኮነን። ቅድስት ካብ ገዛኣ ክትወጽእ ኣይፍቀደላን’ዩ። መሓዙታ ናብ ገዛአን ክኸዳ እንከለዋ ድማ ናይ ልበን ከዋግዓ ኣይጥዕመንን። ህይወት ቅድስት ከምዚ እናበለ ሰሙናት ሓሊፎም። ስድራኣ ከይሰምዑ መፍትሒ ከምጽኣለይ’ዩ ዝበለቶም ሓሳባት ስኢና። ፍታሕ ካበይ ይምጻእ? መጽሓፍቲ ኣገላቢጣ ኣንቢባ ሕጂ’ውን መፍትሒ ተቐቢጹ። ገለ መፍትሒ እንተረኸብኩ ኢላ ኣብ ዩቱብ ቪድዮታት ምርኣይ’ኳ እንተጀመረት፡ ንኣእምሮኣ ዕረፍቲ ዝህባ ፍታሕ ክትረክብ ኣይከኣለትን። ኣብ መወዳእታ ግን ናብ ማእከል ሕክምና ክትከይድ ወሲና። እዚ ውሳነ ንባዕሉ ቀሊል ኣይነበረን። ንስድራኻ እንከይተዛረብካ ናብ እንዳ ሓኪም ምኻድ ከቢድ ውሳነ’ዩ። ብዙሕ መዘዝ ኣለዎ። ብዙሕ ሕቶ የስዕብ’ዩ። ቅድስት ድማ ኣሽንኳይ’ዶ ንብዙሕ ሕቶታት ንሓንቲ ሕቶ እትኸውን መልሲ'ውን የብላን። ቤተሰብካ ዘይብሉ ናብ እንዳ ሓኪም ምኻድ ሓጋዚ ከምዘይብልካ ስምዒት ይፈጥረልካ። ንተመሃሪት ድማ ዝገደደ ገንዘብ ስለዘይብላ ካልእ ናይ ገዛእ ርእሱ ጸገም ኣለዎ። ነታ ኣመና ቍጽጽር ዝበዝሓ ቅድስት ካብ ቤት ትምህርቲ በዂራ ናብ እንዳ ሓኪም ክትከይድ ዓቐበት ኰይኑዋ። ምስ ገዛእ ርእሳ ብዙሕ መኺራ መወዳእታኡ ንብሕታ ናብቲ እንዳ ሓኪም ክትከይድ ወሲና። “ካብቲ ንሻሂ ተባሂሉ ዝወሃበኒ ዝዓቘርክዎ ገንዘብን መሓዙተይ’ውን ዝተወሰነ ዝሃቡኒ ገንዘብ ሒዘ ናብቲ እንዳ ሕክምና ከይደ” እትብል ቅድስት ሓኪም ጭንቀት ከምዘለዋ ሓቢርዋ። ሕጂ ድማ ናብ እንዳ ኣቶ ብርሃኑ ራቦ ክንወስደኩም። ኣቶ ብርሃኑ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ትካል ኣማኻሪ ሞሽንን ስልጠናን’ዩ። “ብዙሓት ደረስትን ፈላስፋታትን ‘ጭንቀት ሓደ ሰብ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ ምስቲ ክበጽሖ ዝደልዮ ደረጃ ኣዝዩ ዝተረሓሓቐ ክኸውን እንከሎ ዝፍጠር ውጽኢት ምውጣር ኣእምሮ’ዩ” ይብል። ብዛዕባ እቲ ቅድስት ዝሓለፈቶ ህይወት ንኣቶ ብርሃኑ ኣካፊልናዮ “ጭንቀት ብፍላይ ኣብ ትሕቲ 20 ዓመት ዝዕድመኦም ሰባት ይውስኽ’ዩ ዘሎ። ስድራ፡ መምሃራን ኮነ ሕብረተሰብ እንተይፈለጡ ሱር ሰዲዱ ኣብ ስቓይ’ዮም ዝርከቡ። ጭንቀቶም ዝርድኣሎም ሰብ ስለዘይብሎም ብናይ ባዕሎም መገዲ መፍትሒ ከናድዩ ላሕ ይብሉ” ዝብል ርእይቶ ሂቡና። መንቀሊ እቲ ጸገም እንታይ ከምዝዀነ ነቲ በዓል ሞያ ሓቲትናዮ ብዙሕ መልክዕ ከምዘለዎ’ዩ ዝዛረብ። ሃገራውን ዓለምለኻውን ጸገማት ብፍርሒ ተወሪሮም ተስፋ ንኽቘርጹ ይገብሮም። “ጸገማት ጥዕናን ሰኣኖ ሰላምን ኣሎ። ናይ ደቂ ሰባት ሞት ምስማዕ ልሙድ እናዀነ መጺኡ’ዩ” ዝበለ ኣቶ ብርሃኑ መናእሰይ ብሩህ መጻኢ ተስፋ ዘይርኣዮም ብጭንቀት ዝተውሓጡ ከምዝዀኑ ኣብሪሁ። ‘ኣብ ጐነይ መን ኣሎ?’ እንከይበልካ ብዛዕባ ዓሌታውነት፡ ሃይማኖትን ወረ ኵናትን ይውጋዕ። ህጻናትን መናእሰይን ምሳኻ ከምዘለዉ ተረሲዖም ከምድላይካ እዩ ዝዝረብ። እዚ ድማ ህጻናት’ዩ ዝጐድእ” ክብል ተወሳኺ መብርሂ ሂብሉ። ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ምህዞታት ቴክኖሎጂ ማዕበላዊ’ዩ ኰይኑ ዘሎ። ኣብ ሰለፍ ቈልዓ ክሳዕ ሽማግለ ፈይስቡክ፡ ቲክቶክ፡ ቴሌግራምን ዩቱብን ብቐሊሉ እትረኽበሉ ዘመን ኢና ዘለና። ካብቲ ቴክኖሎጂ ዝዕጸድ ግን ጸጽቡቝ ጥራይ ኣይኰነን። መዓት ሕማቕ ነገራት’ውን ማዕረ ማዕረኡ የሸክመካ’ዩ። ኣቶ ብርሃኑ ኣብ ስርሓት ምምኻርን ስልጠናን ንልዕሊ ፍርቂ ክፍለዘበን ሰሪሑ’ዩ። ካብ ዓመት ናብ ዓመት ቍጽሪ ብጭንቀት ዝሳቐዩ ሰባት ይንህር ከምዘሎ ዝሓበረ ኣቶ ብርሃኑ፡ ናብዚ መደምደምታ ዘብጽሖ ምኽንያት ድማ መጠናዊ መጽናዕቲ ኣካይዱ’ዩ። “እዚ ዘለናሉ መዋእል ሰባት ዘይዓግቡሉ ግዜ’ዩ። ብዝተፈላለየ ምኽንያት ትጽቢት ዘይተገብረሎም ነገራት ክኽሰት እንከሎ ሃለዋት ፈጣሪ ዝጠራጠሩሉ፡ ‘ፈጣሪ እንከሎ ስለምንታይ እዚ ተኸሲቱ?’ ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም ምላሽ ክረኽብሉ ናብ ዘይክእልሉ ሓሸውየ ናይ ምእታው ዕድላት ኣሎ።” “ስድራይ፡ ኣደይን ኣቦይን እንከለዉኒ ስለምንታይ እዚ ክወርደኒ ክኢሉ? ስለምንታይ እዚ የጋጥመኒ’ሎ? መንግስቲ እናሃለወ ስለምንታይ’ዩ እዚ ተኸሲቱ? እናበሉ ካብ ርእሰ ተኣማንነቶም ብምርሓቕ መፍትሒ፡ ሓጋዝን ዓቕምን ናብ ምስኣን ደረጃ ይሰጋገሩ። ኣክንዲ ብተስፋ ምንባር ተስፋ ናብ ምቝራጽ ገጾም የምርሑ። እቲ መፍትሒ ኢሎም ዘቐምጥዎ ድማ ካብ ባህሊ፡ እምነትን ሕብረተሰባዊ ጸጋታትን ርሕቕ ዝበሉ ነገራት ምግባር’ዩ። “ኣስዒቦም ድማ ኣብ ገዛእ ርእሶም ኮነ ካልኦት ጨካናት ምዃን’ዩ” ይብል ኣቶ ብርሃኑ። ኣብዚ ቀረባ እዋናት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ህይወቶም ከጥፍኡ ከምዝዀኑ ተዛሪቦም ርእሰ ቅትለት ዝፈጸሙ ሰባት ከምዘለዉ ዝጠቐሰ እቲ በዓል ሞያ ምምኻር “እዚ ኣዝዩ ዘሰንብድ’ዩ” ኢሉ። ንሱ “ሞት ዝኣክል ከቢድ ነገር ብቘጸራ ወሲንካ ክትትግብሮ እንከለኻ ደረጃ ጭንቀትና ክሳዕ ክንደየናይ ኣብ ምድሪ፡ ሰባትን ሰማይን ተስፋ ቈሪጽና ከምዘለና ዘመላኽት’ዩ። ቈልዑ ተፋኒኻ ናብ ሞት ክትከይድ ምድላይ ናበይ ገጽና ነምርሕ ከምዘለና ብንጹር ዘርኢ’ዩ” ኢሉ። “ከምቲ ተኸታታሊ ድራማ ኣብ ርእስና ዝመላለስ ዘሎ ኵናት፡ ኣካላውን ንዋታውን ጉድኣቱ ጥራሕ ተሓሲቡ እምበር ስነ ልቦናዊ በሰላኡ ኣብ ግምት ዘእተወ ስራሕ ኣይኰነን ዝስራሕ ዘሎ” ዝበለ ኣቶ ብርሃኑ ከም ሳዕቤኑ ድማ ቈልዑ ተስፋ ክቘርጹ ብዛዕባ መጻኢ ህይወቶም ከይሓስቡ፡ ጽቡቕ ሕልሚ ከይሓልሙን ክብሪ ሰብኣውነቶም ንኽስእኑ ከምዝገብሮም ገሊጹ። “ሰባት ትርጕም ምንባር መቐረት ምስ ሰኣኑሉ ናብቲ ዘይፈልጥዎ ናይ ሞት ዓለም ክኸዱ ይመርጹ” ዝበለ ኣቶ ብርሃኑ፡ እዚ ኵነታት ግዜ ሓልዩ ዝፍንጀር ነታጕ’ዩ ዝብል እምነት ኣለዎ። ምሉእ ስድራ ዘመን ዘምጽኦ ቴክኖሎጂ ሒዙ ነንባዕሉ ዘይዘራረበሉ ኵነታት ብናህሪ ይዓቢ ከምዘሎ’ውን ጠቒሱ። ደቂ ሰብ፡ ጸገማቶም ክነግርዎ ዝደልይዎም ነቶም ‘እህ ኢሎም ዝሰምዑዎም ሰባት’ዮም። ወለዲ ናይ ገዛእ ርእሶም ጸገም ንኽሓልፉ ወይ’ውን ዕላማኦም ንምዕዋት እምበር ሓሳባት ደቆም ዝሰምዕሉ ግዜ የብሎሙን። ‘ኣነ ንዓኻትኩም ክቕልብ ላዕልን ታሕትን እብል ኣለኹ’ ብዝብል ጸገማት ደቆም ከም ሕንቃቐ ገይሮም’ዮም ዝወስድዎ፡ ዝብል ርእይቶ ዝህብ ኣቶ ብርሃኑ፡ ካብኡ እቶም ቈልዑ ጸገማቶም ካብ ወለዲ መምህራኖም ኮነ ሕብረተሰብ ሓቢኦም ብናይ ባዕሎም መገዲ ክፈትሕዎ ይፍትኑ። እኳ’ድኣስ “ነቲ ጸገም ብዘጋድድ መልክዑ ንኽፈትሕዎ ክጐዩ ትርእዮም።\" ዝከኣሎም ኵሉ ገይሮም ምስዘይሰምረሎም ድማ ነብሶም ይጸልኡ፣ ድቃስ የብሎምን። እናሓደረ ብፍርሒ ተወሪሮም ይነብሩ። ብዙሕ ሰብ እቲ ዘጋጠሞም ጸገም ዝፈለጠ ኰይኑ ክስምዖም እንከሎ ከኣ ሕማቕ ስጕምቲ ይወስዱ” ኢሉ። ወለዲ ቅድስት ጓሎም እተርእዮ ዝነበረት ምዕባለ ክከታተሉ ነይርዎም። ንባዕላ’ውን ከቢድ’ኳ እንተነበረ ንስድራኣ ነጊራቶም እንተትኸውን ነይራ እቲ ጸገም ምቐለላ ነይሩ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ነገራት ብብዝሒ ይኸሰቱ’ዮም። ካብ ንኣሽቱ ቈልዑ ጀሚርካ ኣብ ዘይፍለጥ ቅዛነት ተረሚቘም ዝርከቡ ብዙሓት’ዮም። ንኣቶ ብርሃኑ ዛንታ ቅድስት ምስነገርናዮ ንሱ ከምዚታት ዝኣመሰሉ ካልኦት ዛንታት ከምዝፈልጥ የዋግዕ። ካብኣቶም ናይ ሓደ ዛንታ ኣካፊሉና። “ሓደ ኣዝዩ ንፉዕ መንእሰይ ነይሩ። ብስነ ስርዓት ዝዓበየ ሰብ እዩ። ናብ ዩኒቨርስቲ ምስኣተወ ጸገማቱ ዝሰምዖ ስለዝስኣነ ክጭነቕ ጀሚሩ። ስድራኡ ንዕኡ ዘለዎም ግምት ልዑል ምዃኑ ስለዝፈልጥ ትምህርቱ ብዝግባእ ክከታተል ኣይከኣለን። ድሒረ’ውን ነቲ ትምህርቱ ኣቋሪጽዎ። ወለዱ እዚ ኵሉ ነገር ኣይፈልጡን። ናጻ ኣገልግሎት ዝህብ ኣቶ ብርሃኑ ዝዀነ መንእሰይ ድርኩኺት ቤት ጽሕፈቱ ምስረገፈ ገጽ ኣይከልኦን። “ነቲ መንእሰይ እኹል ዝዀነ ስነ ልቦናዊ ሓገዝ ጌርናሉ ዕላማኡ ከዐውት ንከታተሎ ኢና” ኢሉ። ብዙሓት ወለዲ ደቀይ ንፉዓት’ዮም፣ ስነ ምግባሮም ዝሕልዉን’ዮም ይበሉ እምበር፡ ብዙሓት መናእሰይ ግን ኣብ ከቢድ ጭንቀት ተዋሒጦም’ዮም ዘለዉ። ኣቶ ብርሃኑ፡ “ኣብ ሃገርና ብዙሕ ተስፋ ዘቝርጽ ነገር ይዀኖም። ወለዲ ኣብ ገዛ ይኵን መኪና ዓበይቲ ርእሰ ጉዳያት የዋግዑ። ተሌቪዥኖም ይዅን ተሌፎኖም ኣዝዩ ዘስካሕኽሕ ሓበሬታ ይህባ። እቶም ቈልዑ ኣብ ገዛኦምን ቤት ትምህርቶምን በበይኖም’ዮም። ምስ መሓዙቶም ኣብ ዝራኸቡሉ’ውን ዝተፈለዩ’ዮም። በዚ ምኽንያት ዝተፈላለየ ስብእና’ዮም ዘማዕብሉ” ኢሉ። ከምዚ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ጸገማት ብንኣሽቱ ትካላት ክትፈትሖም ኣይከኣልን፡ ዝበለ ኣቶ ብርሃኑ “ልዕሊ ንዋታውን ቍጠባውን ብደረጃ ወፍሪ ክስርሓሉ ዘለዎ ነገር ኣብ ኣእምሮ ደቂ ሰባት’ዩ ኢልና እንኣምን” ዝብል ኣረዳድኣ ኣለዎ። ኣቶ ብርሃኑ፡ “እዚ ናይቲ ሕብረተሰብን መንግስትን ሓላፍነት’ዩ። መናእሰይ ድማ ካልእ ሓላፍነት ኣለዎም። መናእሰይ ኣብ ፍልጠት ምምእራር ከድህቡ ኣለዎም። ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣለዎም። ካብ ድጂታል ንላዕሊ መጽሓፍቲ ኣብ ኢዶም ሒዞም እናገላበጡ ከንብቡ ይግባእ። ብዝተኽኣሎም መጠን ድማ ምስ ውጽኢት ቴክኖሎጂ ዝጸንሕሉ ግዜ ክንክዩ ኣለዎም” ዝብል ማዕዳ ለጊሱ። ካብኡ ብተወሳኺ ኣብ መዓልቲ ክንደይ ሰዓት ውጽኢታት ተክኖሎጂ ክርእዩ ከምዘለዎም ምውሳን እንተተኻኢሉ ድማ ኣብ ሰሙን ሓደ መዓልቲ ምሉእ ብምሉእ ካብኣቶም ሪሒቕካ ምውዓል ጽቡቕ ከምዝዀነ’ዩ ዝመክር። ምስ ተፈጥሮኣዊ ነገራት ምምሕዛው፡ ስፖርት ምስራሕ፡ ኣብ ሰናይ ተግባራት ምስታፍን ብዝተኸኣለ መጠን ኣብ መንፈሳዊ ህይወት ክነብሩ ከምዘለዎም ኣጥቢቝ ይምዕድ። ብፍላይ መናእሰይ ኣብ ትምህርቲ፡ ስራሕን ካልኦት ዝውግንዎም ዕዮታት ምብዛሕ ከይኰነስ ንመብዛሕትኦም ኣደዳ ጭንቀት ዝገብሮም ዘሎ ሕድሕድ ዕዮታትካ ኣብ ግዜኻ ዘይምውጋን ከምዝዀነ ክፈልጡ ምግባር ኣድላይ’ዩ። ስለዝዀነ ድማ ወለድን ቈልዑትን እታ ዘላቶም ግዜ ብኸመይ ብግቡእ ክጥቀሙላ ከምዘለዎም ክለማመዱ ከምዘለዎም ዝመክር ኣቶ ብርሃኑ፡ “ምሕደራ ሰዓት ካብ ገዛ ጀሚርካ ተግባራዊ ምግባር የድሊ” ኢሉ። ናብቲ ኣብ መእተዊ ዝጀመርናዮ ዛንታ ክንመልሰኩም። ቅድስት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ጽቡቕ ኵነታት እያ ዘላ። ሕክምናኣ ብዝግባእ ትከታተል ኣላ። “ኣብቲ እንዳ ሕክምና በጺሐ ምስተመለስኩ’ዩ ፍኹስ ዝበለኒ” ትብል ቅድስት፡ ኣብ ገዛኣ ክትኣቱ ብፍሽኽታ ደሚቓ ከምዝዀነን ጽቡቕ ድቃስ ክትድቅስ ከምዝጀመረትን ገሊጻ። እንተዀነ እቲ እንዳ ሕክምና’ውን ናይ ገዛእ ርእሱ ጣጣ ነይርዎ’ዩ። ብፍላይ ስድራ ከይፈለጡ ተሓቢእካ መድሓኒት ምውሓጥ ከቢድ ፈተና’ዩ ነይሩ። ሓንሳብ ወሲና ዝኣተወቶ ጉዳይ ስለዝነበረ ግን ብዝግባእ’ያ ተግቢራቶ። ቅድስት ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ዩኒቨርስቲ ክትኣቱ ኣብ ምድላዋት እያ እትርከብ። ከምቲ ወለዳ ዝምነይዎ ኣብ ትምህርቲ ክትነፍዕ ድልየት ኣለዋ። እቲ ጉዳይ ንስድራኣ ዘይምንጋራ ግን ሕጂ’ውን ካብ ሻቕሎት ዓዲ ኣይወዓለትን። እንተፈሊጦም’ከ ዝብል ስግኣት ኣለዋ። እንተዀነ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝነበራ ርእሰ ተኣማንነት ዝሓሸ ስለዝዀነ ምስ ስድራኣ ተማኺራ ክትሓልፎ ምዃና’ያ እትኣምን።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c03nyyy836xo"} {"headline":"ምጕዳል ትኵርነት ንምፍዋስ ብሓኪም ዝእዘዝ ገይም ኮምፒተር","content":"ብዙሓት ወለዲ፡ ደቈም ኣብ ጸወታታት ኮምፒተር ተጸሚዶም ብዙሕ ግዜ ከጥፍኡ ብምርኣይ ክጭነቑ እንከለዉ፡ ኬልሲ ሲሃኖራት ግን ወዳ ኦዋይን፡ ‘ታብለት’ ክሕዝ ምርኣያ ሕጕስቲ እያ። እቲ ወዲ 13 ዓመት ቈልዓ፡ ምጕዳል ኣቓልቦ ወይ ትኵርነት - ADHD (attention deficit hyperactivity disorder) ከም ዘለዎ’ዩ ብሕክምና ተረጋጊጹ። ሽዑ እቶም ኣብ ኣሜሪካ ጆርጂያ ዝነብሩ ስድራቤቱ፡ ወዶም ንመዓልታዊ ዕማማት ህይወት ብዝሓሸ ኵነታት ክለምዶን ክነጥፈሉን ዝሕግዝ ሕክምና ንኽረክብ ብምሕሳብ፡  ናብ ሕክምና ወሰድዎ። መድሃኒታት ብምሃብ'ውን ፈቲኖምዎ፣ እንተዀነ እቲ ዝተኣዘዘ መድሃኒታት ኣብ ወዶም ቀጻሊ ዝዀነ ሕማም መርዘን ርእሲ ምስ ኣኸተለን ከቋርጽዎ ተገዲዶም። እቲ ጕድለት ትኵርነት - ADHD (ኤዲኤችዲ)፡ ኣብ ውጽኢት ትምህርቱ ጽልዋኡ እናቐጸለ ብምኻዱ፡ ኬልሲ ንወዳ “ዝኾነ ዝሓሸ ካልእ ኣማራጺ ክትረኽበሉ ተስፋ ትገብር ከም ዝነበረት” ትዛረብ። \"ንምንታይ ትኵር ክኸውን ከምዘይከኣለ ንምርዳእ ክቃለስ እንከሎ፡ ከምኡ'ውን ኣበርቲዑ እናጸዓረ ግን ከኣ ክርበሽ እንከሎ ኣብ ውሽጡ ዝፍጠር ብስጭት እርእዮ ነይረ\" ትብል። እዚ ኵነታት ወዳ፡ ሓዘን'ኳ እንተፈጠረላ ክትሕግዞ ወይ ክትገብረሉ ትኽእል ነገር ከምዘይነበረ ትገልጽ። ኣብ መወዳእታ ግን ‘ኢንዴቨርኣርኤክስ’ [‘EndeavorRx’] ካብ ዝበሃል ጸወታ ኮምፒተር (‘ገይም’) ሓደ ተስፋ ተረኺቡ። እቲ ገይም ኣብ ምፍዋስ ምጕዳል ኣቓልቦ\/ትኵርነት ህጻናት ንኽውዕል ብምምሕዳር መግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ ኣብ 2020 ዝጸደቐ ፈላሚ ዓይነት ጸወታ ኮምፒተር እዩ። ኣብዚ እዋን ኣብ ኣሜሪካ ካብ ሓካይም ብዝወሃብ ትእዛዝ ጥራይ’ዩ ዝረአ ዘሎ።  ‘ኢንዴቨርኣርኤክስ’ ምስ ካልኦት ብዙሓት ዓይነታት ጸወታታት ኣዝዩ ዝመሳሰል እዩ። ኣብቲ ጸዋታ፡ ኣብ ጠፈር ብዝተፈላለየ ዓለማት እናተጓየየ ንነገራት ክእክብ ንዝፍትን ንእሽቶ ባዕዳዊ ፍጥረት ኢኻ ትቈጻጸር። እዚ ኣብ መተግበሪ [‘ኣፕሊኬሽን’] ዝተመርኮሰ ጸወታ ግን፡ ምስ ተመራመርቲ ‘ኒውሮሳይንስ’ [ኒውሮሳይንስ - ንዕብየት ስርዓተ መትኒታት ዘጽንዕ ኰይኑ ቀንዲ ትዅረቱ ኣብ ሓንጐልን ኣብ ጠባይ ዘሕድሮ ጽልዋን ይጥምት] ብምትሕብባር ዝተዳለወ እዩ። እቲ ጸዋታ፡ ንነገራት ኣቓልቦ ክንህብ ኣብ ምግባር ወሳኒ ተራ ንዘለዎም ከባቢታት ሓንጐል ከነቓቕሕን ከመሓይሽን ብዝብል’ዩ ተዳልዩ። ንሓደ ጕድለት ትኵርነት ዘለዎ ህጻን ብዙሕ ዕማማት ኣብ ምፍጻም፡ ዝሓሸ ብቕዓት ንኸማዕብል፡ ከምኡ'ውን ኣቓልቦኡ ንዝርብሹ ነገራት ሸለል ንኽብል ከሰልጥኖ ብምሕሳብ’ዩ እቲ ገይም ተሰሪሑ። ሓካይም ነዚ ገይም ክእዝዙ ከለዉ፡ እቲ ህጻን ነቲ ጸወታ ቅድሚ ምጅማሩ ኣገዳሲ ዝዀነ ሊንክ ናብ ወለዲ ይልእኩ። ፈለማ፡ \"ቅሩብ ተጠራጢራ\" ምንባራ ትዛረብ ኬልሲ፡ ኣብ መወዳእታ 2020 ግን ኦዋይን ኣብ መዓልቲ ን25 ደቓይቕ ነቲ ጸወታ ክጻወት ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ፕሮግራም ጀመረ፤ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ካልእ ዙርያ ተጻዊቱ። ንነፍሲ ወከፍ እተን ወዳ ኦዋይን ኣብ ጸዋታ ዘሕልፈን ክፍለ ግዜታት እናተኸታተለት፡ ንመዓልታዊ ባህርያቱን ምዕባለኡን ድማ ኣስተብሂላቶ። ነዊሕ ከይጸንሐት ከኣ ኣብ ባህርያቱ ንኣሽቱ ኣወንታዊ ለውጥታት ክትርኢ ጀመረት። ንኣብነት፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ንምኻዳ ጽቡቕ ምድላው ይገብር፤ ካብ መምህራን ዝመጽእ ኣሉታዊ መልእኽቲ’ውን የለን። ከምኡ’ውን ሓሙሻይ ክፍሊ ድሕሪ ምውዳቑ፡ ካብኡ ቀጺሉ ኣብ ዘሎ ውፅኢቱ ግን A ን Bን ከምጽእ በቒዑ። \"ወደይ ክሳብ ክንድ'ዚ ዕዉት ክኸውን ምርኣይ ዘገርም'ዩ ነይሩ፣ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ድማ ኣብ ነብሱ እምነት ክህልዎ ምርኣየይ\" ትብል ኬልሲ። \"ድሕሪ ደጊም ስለምንታይ ዘይሰመረለይ ኢሉ ኣይርበሸን፡ ኣይደናገርን\" ክትብል ወሲኻ ትዛረብ። ዋና ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ኣብ ቦስተን ዝመደበሩ ትካል ቴክኖሎጂ ‘ኣኪሊ’ [Akili] ኤዲ ማርቱቺ፡ እቲ ጸወታ ኣእምሮኣዊ ምዕባለ ንምጥንኻር ዝተዳለወ ምዃኑ ይዛረብ። ኤዲ ማርቱቺ ኣብዚ እዋን ነቲ ‘ኢንዴቨርኣርኤክስ’ ዝተበሃለ ጌም፡ ናብ ካልኦት ሃገራት ክዝርግሖ ሓሳብ ኣለዎ። ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ዓመታት ከኣ ኣብ ኣውሮጳ ናይ ምኽፋት ውጥን ሒዙ’ሎ። ብተመሳሳሊ ኣብ ለንደን ‘ታይሚያ’ [Thymia ] ዝተበሃለ መተግበሪ፡ ሓካይምን ካልኦት ሰብ ሞያ ጥዕናን፡ ንጉዳያት ጥዕና ኣእምሮ ብፍላይ ድማ ጭንቀት ንኽፈልጡን ንኽምርምሩን ጸወታታት ኮምፒተር ክጥቀሙ ይሕግዝ ከምዘሎ ይግለጽ። ኣብዚ ዓውዲ ምርምር ዘካይድ ዶክተር ስቴፋኖ ጎርያ ካብ ዩኒቨርሲቲ ቱሪን፡ እቲ መተግበሪ፡ \"ጠቓምን ኣሳታፍን ብዝኾነ መገዲ ነቶም ንምልክታት ጭንቀት ንምርዳእ ኣገደስቲ ዝዀኑ ባዮማርከራት ይእክብን የውጽእን\" ይብል። [ባዮማርከራት - ኣብ ደም ወይ ካልኦት ኣብ ሰብነትና ዘለዉ ፈሰስቲ ዝርከብ ባይሎጂካዊ ሞለክዩል] እቶም ‘ኣኪሊ’ ን ‘ቲሚያ’ ን ዝተበሃሉ ትካላት መተግበሪታቶም ኣብ ርእሲ እቲ ብሓኪም ዝካየድ ክትትልን ሕክምናን ዝሕግዙ እምበር፡ ከም መተካእታ ኣብ ረብሓ ክውዕሉ ከምዘይብሎም ይምዕዱ።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c9xl02kd2ego"} {"headline":"ኣብ ኒውዮርክ ብሰንኪ ሕማም ፖልዮ ህጹጽ ኣዋጅ ተኣዊጁ","content":"ኣመሓዳሪት ኒው ዮርክ ካቲ ሆቹል፡ ኣብታ ከተማ ምልክታት ሕማም ፖልዮ ስለዝተርኣዩ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣዊጃ። ህላወ ናይቲ ኣካላዊ ልምሰት ዘስዕብ ቫይረስ ፖልዮ፡ ሰራሕተኛታት ጥዕና ኣብ ኒው ዮርክን ከባቢኣን ብዝወሰድዎ ቅምሶ ረሳሕ ማይ እዩ ተረጋጊጹ። ቫይረስ ፖልዮ ኣብ ኒው ዮርክ ድሕሪ 10 ዓመታት ንመጀመርታ ግዜ እዩ ተረኺቡ። ድሕሪ መፋርቕ 1950ታት፡ ሰፊሕ ወፍሪ ክታበት ምስተኻየደ ኣብ ህጻናት ልምሰት ዘስዕብ ቫይረስ ፖልዮ ካብ መሬት ኣሜሪካ ምሉእ ብምሉእ ጠፊኡ ኔሩ። ብመሰረት ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ፡ ኣብ 1979 ኣሜሪካ ምሉእ ብምሉእ ካብ ፖልዮ ነጻ ከምዝኾነት ተኣዊጁ ነይሩ። ንሕማም ፖልዮ ዝኸውን መድሃኒት የለን። እቲ እንኮ መከላኸሊ ክታበት እዩ። እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ንልምሰት ዘቃልዕ ሕማም፡ ድኻም ጭዋዳታት ዘስዕብ እንትኾን እዚ እናገደደ ምስ ከደ ድማ ኣካላዊ ስንክልና የስዕብ። ናብ ሞት እውን ከብጽሕ ይኽእል እዩ። ኣብዚ እዋን ሰበስልጣን ኒው ዮርክ መጠን ክታበት ናብ 90 ሚእታዊት ንምዕባይ ህጹጽ ኣዋጅ ኣዊጆም ኣለዉ። እቲ ቫይረስ ኣብ ሰሜናዊ ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ሮክላንድ ኣብ ዘይተኸተበ ሰብ ድሕሪ ምርካቡ፡ እቲ ቫይረስ ኣብ ኦሬንጅን ካልኦት ሰለስተ ከባቢታትን ኣብ ዝርከብ ረሳሕ ፈሳሲ እዩ ተረኺቡ እዩ። ኣመሓዳሪት ኒው ዮርክ ብዓርቢ ዝኣወጀቶ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን፡ ሰራሕተኛታት ጥዕና ኣብ መላእ እቲ ከባቢ ክውደቡን ወፍሪ ክታበት ከካይዱን ዘኽእል እዩ። ኒው ዮርክ ኣብዚ ቀረባ እዋን ህጹጽ ኩነታት ጥዕና ህዝቢ ክትእውጅ እዚ ንሳልሳይ ግዜ እዩ። ቅድሚ ሕዚ ብሰንኪ ዝርገሐ ኮሮና ቫይረስን ለበዳ በዲዶ ህበይን ተመሳሳሊ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ከምዝኣወጀት ክዝከር እዩ። ኣብ ኣሜሪካ 93 ሚኢታዊት ዕሸላት ክታበት ፖልዩ ከምዝወሰዱ ይፍለጥ።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1y3vg2yjmo"} {"headline":"ብጽልዋ ወለዶም ተሸጊሮም ዝዓብዩ ቈልዑ","content":"ርያን ምምህርና ከጽንዕ እንከሎ፡ ኣቦኡ ከምዘይሕጐሰሉ ይፈልጥ ነይሩ’ዩ። ኣብ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣት ሜሪላንድ ዝነብር ወዲ 25 ዓመት ርያን፡ ምሕደራ ትምህርቲ ከጽነዕ እንከሎ፡ ህይወት ህጻናት ንምቕያር ሓሊኑ’ዩ ነቲ ዓውደ ትምህርቲ ሓርይዎ። እቲ ስደተኛ ኰይኑ ናብ ኣሜሪካ ኣትዩ ዶክተር ዝዀነ ወላዲኡ ግን፡ ርያን ሕክምና ከጽንዕ’ዩ ዝደሊ ነይሩ። ኣቦ ርያን፡ ደቁ ኣብ ኣሜሪካ ኵሉ ዕድላት ትምህርቲ ንኽረኽቡ ብዙሕ’ዩ ጽዒሩ። ርያን’ውን ኣብ ፈለማ፡ ኣብነት ኣቦኡ ተኸቲሉ ከም ኣቦኡ ክኸውን’ዩ ዝደሊ ነይሩ። እንተዀነ፡ ስነፍልጠት ከጽንዕ ምስ ጀመረ፡ ኣብ ሕክምና ዝንባለ ከምዘይብሉ ክርዳእ ክኣለ፣ “ንኣቦይ ምስ ነገርክዎ ኣዝዩ እዩ ጉህዩ” ኸኣ ይብል - ርያን። ወለዲ፡ ካብቲ ንሶም ዝምነዩልካ መገዲ ብዝዀነ ምኽንያት ከተልግስ እንከለኻ፡ ሕማቕ ከምዝስምዖም’ዩ ርያን ይገልጽ። ብኣንጻሩ እቶም ወለዶም ንዝደልይዎ ነገር ክዀኑ ኢሎም ዝጽዕሩ መንእሰያት'ውን ኣመና ከምዝሽገሩ’ዩ ዝግለጽ። ንኣብነት ጓሎም ንውሩይ ደራፋይን ተዋሳኣይን ዊል ስሚዝን ፒንከት ስሚዝን ዝዀነት ደራፊት ዊሎው ስሚዝ፡ ሞያ ወለድኻ ክትክተል ምሕሳብ ዘቐንዙን ዘሸግርን ምዃኑ ገሊጻ ነይራ። ወዲ ውሩይ ተዋሳኣይ ቶም ሃንክስ ዝዀነ ኮሊን ሃንክስ’ውን፡ ከም ባህጉ ንምንባር ኣብ ዓቢ ግድል ከምዝኣተወ ይሕብር። ጓል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ቢል ክሊንተንን ሂላሪ ክሊንተንን  ዝዀነት ቸልሲ ክሊንተን’ውን ብሕርያ ወለዳ ዝኣተወቶ ሞያ ከምዘጣዕሳ ኣብ ሓደ መደብ ተለቪዥን ገሊጻ ምንባራ ይዝከር። ኣብ ፍሉጣት ሰባት ጥራይ ዘይኰነ፡ ብዙሓት ወለዲ’ውን ከም ኣቦ ርያን፡ ደቈም ኣሰሮም ክኽተሉ ዓቢይ ጸቅጢ ከም ዝገብሩ ይግለጽ። ኣብ ፍሎሪዳ፡ ኣሜሪካ ሓኪም ፍወሳ ሕማም ኣእምሮ ዝዀነትን ልዕሊ 13 መጻሕፍቲ ዝጸሓፈትን ኣሚ ሞሪን፡ ኵሎም ህጻናት ኣብ መጀመርታ መድረኽ ህይወቶም፡ ብወለዶም ከምዝጽለዉን ብቐጥታ ይዅን ብተዘዋዋሪ ብወለዶም ጸቕጢ ከምዝግበረሎምን ተብርህ። እዚ ግን ዝያዳ ኣብቶም ኣብ ጽቡቕ ጽፍሒ ትምህርቲ፡ ሓላፍነትን ሃብትን ዝብጽሑ ወለዲ ከምዝዛይድ ኣሚ ሞሪን ትገልጽ። እታ ክኢላ፡ ብፍላይ እቶም ካብ ኣዝዮም ፍሉጣት ወለዲ ዝውለዱ ህጻናት፡ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ሞያን  ባህጊ ገዛእ ርእሶምን ንክኽተሉ ኣመና ከምዝጽገሙን ዓቢ ግድሊ ከምዘሕልፉን ትሕብር። ኣብ ትሕቲ ጽላሎት ወለዲ ምዕባይ ብዙሓት ፍሉጣት ወለዲ፡ ደቈም ኣክንዲ ናይ ገዛእ ርእሶም መስመር ዝኽተሉ፡ ከም መቐጸልታ ሕልምታቶም ገይሮም ከምዝዅስኩስዎም ክኢላታት ይሕብሩ። ኣብ ኒውዮርክ ሓኪም ፍወሳ ሕማም ኣእምሮን ርክባትን ዝዀነ ኣሌክስ ለፍ እቶም ካብ ፍሉጣትን ዕዉታትን ወለዲ ዝውለዱ ህጻናት፡ “ገዛእ ርእሶም ክዀኑ ቃልሲ’ዮም ዘሕልፉ” ይብል። ሞሪን፡ እቶም ደቂ ዕዉታትን ፍሉጣትን ኣክንዲ ብገዛእ ርእሶም፡ ‘ወዲ ኩስቶ፡ ጓል እገለ’ ተባሂሎም ስለዝጽውዑ፡ ኣብ ውሽጦም ዓቢይ ሃጓፍ ከምዝፍጠር ሞያዊ መብርሂ ትህብ። ኣብ ኒውዝላንድ ትነብር ጓል 29 ዓመት ሮዝ፡ ኣደኣ ኣብ ተሌቪዥን ብእተቕርቦ ኣሰራርሓ መግቢ ኣዝያ ፍልጥቲ’ያ። “ዋላ’ኳ ከም ኣደይ ፍልጥቲ ኣይዅን’ምበር ጽቡቕ ስራሕ’ዩ ዘለኒ፡ ኣብ ደገ ዝረኸቡና ሰባት ግን ብሞያ ኣደይ’ምበር ብሞያይ ኣየድንቝንን’ዮም” ትብል። ሮዝ ውሽጣ ዝኣዘዛ ሞያ ክትክተል ስለዝደለየት፡ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ምሰ ወድአት ካብ ኒውዝላድ ወጺኣ ኣብ ኦስትሪያን ፈረንሳን ተማሂራ ናተይ ትብሎ ሞያ ኣጥርያ’ያ። ኣሰር ኣደኣ ኣይሰዓበትን። ኣሌክስ ለፍ፡ ወለዶም ዝደልይዎ ክዀኑ ዘይክኣሉ ህጻናት [መንእሰያት] ኣብ ውሽጦም ፍርሒ ከምዝወሮም’ዩ ዝገልጽ። ኣቦ ርያን፡ ከምቲ ንሱ ጽዒሩ ዶክተር ዝዀነ፡ ርያን’ውን ጽዒሩ ሕክልምና ክጽንዕ’ዩ ዝደሊ ነይሩ። ርያን ካብቲ ኣቦኡ ዝሓረየሉ ሞያ ከላግስ እንከሎ ምስ ውሽጡ ብዙሕ’ዩ ተማጒቱ፣ “ኣቦይ፡ ኣነ ከምዛ ቅዳሕ ናቱ ዝዀንኩ ተረዲኡ፡ እቲ ንሱ ዝደልዮ እንተዘይኰይነ ኣዝዩ ሕማቕ’ዩ ዝስምዖ” ይብል። ኣሊ ጓል 29 ዓመት ተቐማጢት ፊላደልፍያ እያ። ኣደኣ ኣዝያ ሕውስቲ፡ መገሻ ትፈቱ፡ ሙዚቃዊ ምርኢት ተዘውትር፡ ዓርከ-መሓዛ ንገዛ ምዕዳም ትፈቱ ሰብ እያ። ብኣንጻሩ ኣሊ ኣዝያ ሓፋር ፍጥረት እያ። ኣደኣ ልክዕ ከምኣ ክትከውን ስለትደልያን ትደፋፍኣን ከኣ ከቢድ መሰናኽል ከምዘሕለፈት ትገልጽ። ኣሌክስ ለፍ፡ እቶም ብወለዶም ‘ከምዚ ክትኰኑ ኣለኩም’ እናተበሃሉ ዝዓበዩ ህጻናት፡ ኣብ እዋን ንእስነቶም ዓቢ ማሕለኻታት ከምዘጋጥሞም’ዩ ዝገልጽ። ብፍላይ ወለዶም፡ ፍሉጣት፡ ዓቢይ ጽፍሒ ዘለዎምን ማሕበራዊ ተቐባልነት ዘጥረዩን ምስ ዝዀኑ እቲ ማሕለኻታት እናተረረ’ዩ ዝኸይድ። ዋላ ምስ ዓበዩ፡ ርእሰ ምትእምማኖም ናብ ቦታኡ ስለዘይምለስ፡ ንዝዀነ ዝገብርዎ ንጥፈታት “ክገብሮዶ ክገድፎ” ብምባል ንወለዶም ክሓቱ’ዮም ዝቕሰቡ። ሕሉፍ ሓሊፎም፡ ኮተቴ ኰይኖም’ውን “ብማይ ዝሑል ዶ ብማይ ውዑይ ክሕጸብ?” ኢሎም ንወለዶም ክሳብ ምሕታት’ዮም ዝበጽሑ። ሞሪን፡ ህጻናት ነቲ ንሶም ዝደልይዎን ወለዶም ዝደልይዎን ሞያ ኣሳንዮም ክኸዱ ክፍትኑ ኣብ ጭንቀት ከምዝወድቁ ትሕብር። ሮዝ ከሻኒት ክትከውን እያ ትደሊ። እንተዀነ መቀጸልታ ናይ ኣደኣ ዘይኰነ፡ ናተይ ትብሎ መገዲ ተኸቲላ ዓወት ከተመዝግብ እያ ትደሊ። ሮዝ “ኵሉ ሰብ እዚ ሞያ ባዕለይ ዘጥረኽዎ’ምበር ዝወረስክዎ ሞያ ከምዘይኮነ’የ ክፈልጥ ዝደሊ” ትብል፡ ብሓቂ ኸኣ እቲ ንሳ ትመርሖ ትካል 400 ሚእታዊት ዕብየት ከርኢ ተራ ሮዝ ኣዝዩ ግሉሕ’ዩ ነይሩ። ኣብ 2021 ብ’ግሎባል ሪኩሪትምት’ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ 65 ሚእታዊት ካብቶም ቃለ-መጠይቕ ዝተገበረሎም መንእሰያት፡ ስድራኦም ኣብ ዝደልይዎ ሞያ ከምዝኣተዉ ምግላጾም ይሕብር። ኣሌክስ ለፍ ነቲ ኣሃዝ ብምግላጽ፡ “እቲ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝግበር ጸቕጢ ክሳብ ክንደይ ዓቢይ ምዃኑ’ዩ ዘርኢ፡ ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ግዜ ንእስነቶም ክሳብ ክንደይ ከቢድ ግድል ከምዘሕልፉ ክስቈረና ይኽእል” ድሕሪ ምባል፡ “እዚ ኣብ ስራሕ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዝምስርትዎ ፍቕርን ሓዳርን’ውን ጽልዋኡ ገዚፍ’ዩ” ይብል። ናብ ርያን ምስ እንምለስ፡ ቀስ ኢሉ ካብቲ ወላዲኡ ክዀኖ ዝደልዮ ዝነበረ ሞያ ተፈንቲቱ’ዩ። ነቲ ኣቦኡ ዶክተር ክኸውን ዝደልዮ ዝነበረ ሞያ ገዲፉ መምህር ኰይኑ። “ሞያ ኣቦይ ኣብ ውሽጠይ ስለዘየሎ ኣይፈትዎን’የ፤ ነቲ ሕጂ ሒዘዮ ዘለኹ ሞያን ንብሕጅን ከይጸልወኒ ኣዝየ’የ ዝጥንቀቕ።” ካብ ዕዉታት ስድራ ምውላድ ርእሱ ዝኸኣለ ጸጋ ኣለዎ። ብውሕዱ ኣርኣያ ክዀኑኻ ዝኽእሉ ሰባት ኣብ ቤትካ ኣለዉ። እዚ ዝፈጥሮ ዕድላት’ውን ቀሊል ኣይኰነን። ሞሪን’ውን ምስዚ ሓሳብ እዚ ብምስምማዕ፡ ካብ ዕዉታት ወለዲ ዝተወለዱ ህጻናት ርእሰ ተኣማንነት ከጥርዩ ከምዝሕግዞም ትገልጽ። ብመሰረት ኣብ 2019 ብዩኒቨርስቲ ጆርጅታውን ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ እቶም ካብ ፍሉጣትን ኵሉ ዘለዎምን ወለዲ ዝውለዱ ህጻናት፡ ኣብ እዋን ንእስነቶም ዝለዓለ ናይ ምዕዋት ዕድል ከምዘለዎም የረድእ። ብዘይካ’ዚ ኣብ 2015 ኣብ ሃርቫርድ ዝተኻድ መጽናዕቲ’ውን፡ ካብ ዝሰርሓ ኣደታት ዝውለዳ ደቂ ኣንስትዮ፡ ንኣደታትን ከም ኣርኣያ ብምውሳድ ናብ ዝልዓለ ጽፍሒ ናይ ምድያብ ዕድለን ልዑል ምዃኑ የርኢ። ሮዝ’ውን ናይዚ ኣብነት እያ፣ “ኣደይ ኣብ ምሉእ ህይወታ ዘጥረየቶ፡ ንዓይ ዘይብለይ ብዙሕ ክእለትን ፍልጠትን’ዩ ዘለዋ” ብምባል ፍልጠት ኣደኣ፡ ንዓለም ዓይና ኣንቊሓ ንኽትጥምታ ማዕጾ ከምዘርሓወላ’ያ ትገልጽ። ንብዙሓት፡ እቲ ወለዶም ክዀንዎ ዝደልይዎም፡ ዋላ ብመንገዶም ካልእ ሞያ እንተኣጥረዩ፡ ካብ ሓንጐሎም ቀልጢፉ ኣይእለን’ዩ። ሞያ ኣጥርዮም ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት፡ ተመሊሶም ናብቲ ወለዶም ዝደልይዎ ሞያ ዝኣትዉ’ውን ውሑዳት ኣይኰኑን። ህጻናት ናይ ገዛእ ርእሶም ዝንባለ ኣላልዮም፡ ኣብቲ ጠላሕ ዝበሎም ሞያ ክነብሩ ግን እቲ ዝበለጸ ነገር’ዩ። ብሓገዝ ሓኪም ስነ ኣእምሮ፡ ኣሊ፡ ብዘይ ሕብእብእን ብዘይ ሕማቕ ስምዒትን፡ ባህርን ጸቕጥን ኣደኣ ኣብ እዋን ህጻንነታ ዝፈጥረላ ዝነበረ ጸቕጢ ክተውክኦ ክኢላ እያ። “ኣዝዩ ጽቡቕ ዘተ’ዩ ነይሩ፡ ምኽንያቱ ክልተና ንዅሉ ነገር ክፉታት ኴንና ኢና ተዘራሪብና” ትብል ኣሊ። ሮዝ’ውን ኣብ ፖርቱጋል ኰይና ነታ ኣብ ኒውዝላንድ ዘላ ኣደኣ ትድውለላ’ያ፡ ንሓድሕደን ነቲ ዘለወን ሞያ ይደጋገፋ’የን፡ ናብዚ ንኽብጻሕ ግን ከቢድ መስገደል እዩ ተሰጊሩ። ሮዝ “ኣብ ሞያይ ኣዝዩ ርእሰ ምትእምማን ኣሎኒ፡ ምስ ኣደይ ከኣ ኣብ ኣዝዩ ፍቱው ዝዀነ ኵነት ኢና ዘለና” ትብል። ጕዳይ ርያን ግን ሕጂ’ውን ኣብ ወጥሪ’ዩ ዘሎ፡ ወላዲኡ ክሳብ ሕጂ ነቲ [ርያን] ሒዝዎ ዘሎ ሞያ ከምዘይፈተዎ’ዩ ዝርድኦ፤ ስለዚ ከም ኣማሪጺ ምስ ኣቦኡ ብዙሕ ግዜ ከሕልፍ ኣይመርጽን’ዩ።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cj5qd675753o"} {"headline":"ብርእሲ ተጣቢቐን ዝተወልዳ ማናቱ፡ መወዳእታኡ እንታይ ኰና?","content":"ማናቱ፡ ብርእሲ ተጣቢቘም ክውለዱ ሳሕቲ ዘጋጥም ተርእዮ እዩ። እዘን ሳፋን ማርዋን ዝበሃላ ማናቱ፡ ንምፍልላየን ኣብ ሓደ ሆስፒታል ዓዲ እንግሊዝ ኣዝዩ ፍሉይ ተኸታታሊ መጥባሕቲ ክግበረለን እንከሎ፡ ነቲ ሕክምናዊ መስርሕ ክከታተል ፍሉይ ዕድል ዝረኸበ፡ ቢቢሲ ነቲ ዛንታ ብኸምዚ ዝስዕብ የቕርቦ። እቶም ሓኻይም ሓንጎል እተን ማናቱ ከፊቶም ክፈለልይዎ ግድን ነይሩ። እዚ ግን ተራን ልሙድን መጥባሕቲ ኣይኰነን። ነቲ መጥባሕቲ ዘካይዱ፡ 20 ዝዀኑ ፍሉያት ክኢላታት እዮም። እቶም መደንዘዚ ዝህቡ ሓኻይም (anesthetists) ሃንደበት መጠንቀቕታ ምስሃቡ፡ ኣብቲ ክፍሊ ዓሲሉ ዝነበረ ህድኣትን ሰላምን ጠፊኡ። እቲ ካብ ሓንጎል ሳፋ ብዘይኣግባብ ዝፈሰሰ ደም፡ ናብ ሓብታ ክሰግር ጀሚሩ። እዚ ድማ ኣብ ልቢ ማርዋ ጸቕጢ ስለዝፈጥር ሓደገኛ እዩ፤ እሞ ኸ ደኣ? ካብቶም ሓኻይም ሓደ፡ ኤሌክትሪክ ተጠቒሙ ነቲ ዝፈስስ ደም ደው ከብል መሳርሒኡ ምስ ኣዋደደ፡ ኵሎም ክኢላታት ሰስርሖም ደው ኣቢሎም ብተስፋ ክጽበዩ ጀመሩ። ማርዋ እንተሞይታ ሳፋ እውን ምማታ ኣይተርፋን'ዩ። ዘይነብ ቢቢ ሸውዓተ ደቃ ኣብ ገዛ እያ ሓሪሳቶም። ነተን ማናቱ እውን፡ ከምቶም ዝቐደሙ ኣብ ገዛ ክትወልደን እዩ ነይሩ ሓሳባ። ጥንስቲ 7 ወርሒ እንከላ እዩ ሰብኣያ ብሕማም ልቢ ሞይቱ። ብ 7 ጥሪ 2017 እተን ማናቱ፡ ካብቲ ቁሸት ኣስታት 50 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሃያታባድ ብመጥባሕቲ ተወሊደን። እተን ዝተወልዳ ዕሸላት ኣብ ርእሰን ዝተጣበቓ ‘ክራኒዮፓገስ’ ማናቱ እየን። እዚ፡ ካብ ሳሕቲ እውን፡ ሳሕቲ ዘጋጥም ኵነታት እዩ። ዘይነብ ተዳኺማ ስለዝነበረት፡ ነተን ማናቱ ደቃ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ እያ ርእያተን። ብኡንብኡ ድማ ኣዝያ ፈትያተን። \"ኣዝየን ጽቡቓት እየን፤ ብዛዕባ ምጥባቐን እውን ኣይሓሰብኩን። ህያብ ኣምላኽ እየን\" ክትብል ሓጐሳ ገሊጻ። ኣብ መካ፡ ስዑዲ ዓረብ ካብ ዝርከቡ ማናቱ ጐቦታት ዝተወስደ ሳፋን ማርዋን ዝብል ስም ተዋሂቡወን። ድሕሪ ሓደ ወርሒ እተን ማናቱ ካብቲ ሆስፒታል ወጺአን። ስድራ ዘይነብ እውን እንተተኻኢሉ ነተን ማናቱ ንኽፈላለያ ኣብ ስምምዕ በጺሖም። ሓደ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ነቲ መጥባሕቲ ክገብር ሓሳብ'ኳ እንተ ኣቕረበ ካብተን ማናቱ ሓንቲ ክትመውት ከም እትኽእል ኣጠንቂቑ። ነዚ ሓሳብ'ዚ ግን ዘይነብ ክትቅበሎ ፍቓደኛ ኣይኰነትን። ካልእ ኣማራጺታት ተናደየ። እተን ማናቱ ደቂ ሰለስተ ወርሒ ምስ ኰና ስድራቤት ዘይነብ፡ ምስ ኦዋስ ጀላኒ ዝበሃል ሓኪም መጥባሕቲ ነርቭ ህጻናት (pediatric neurosurgeon) ተራኺቦም። ጀላኒ፡ ኣብ ሆስፒታል ግሬት ኦርሞንድ ስትሪት እዩ ዝሰርሕ። እዚ ኣብ ለንደን ዝርከብ ሆስፒታል ካብቶም ኣብ ዓለም ውሩያት ዝዀኑ ሆስፒታላት ህጻናት ሓደ እዩ። እቲ ሓኪም ነቲ ስካን እተን ኣዋልድ ምስ ረኣየ፡ ዕድመአን 12 ወርሒ ከይመልአ መጥባሕቲ እንተተገይሩለን ብደሓን ክፈላለያ ከም ዝኽእላ ገሊጹ። ግዜ ይጎዪ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ኸኣ፡ ወጻኢታት እቲ መጥባሕቲ ንምሽፋን ዘኽእልን ገንዘብ ከይተረኽበ ዕድመአን፡ ድሮ 19 ኣዋርሕ መልአ። እቲ መጥባሕቲ ካብዚ ንላዕሊ እንተደንጕዩ ንምፍልላይ ዝግበር ጻዕሪ ዝያዳ ሓደገኛ፣ ናይ ምሕዋይ ዕድለን ድማ ድሩት ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ጀላኒ፡ ብኡንብኡ ናብ ሃገረ እንግሊዝ ንኽመጽኡ ኣተባብዖም። ኣኮን ኣቦሓጐን እተን ማናቱ ዝርከብዎም ስድራ ቤት ዘይነብ ናብ ዓዲ እንግሊዝ መጺኦም። ገንዘብ ግን ሕጂ እውን ኣይተረኽበን። ጀላኒ፡ ሓደ መዓልቲ ምስ ሓንቲ ጠበቓ መሓዛኡ ምሳሕ እናበልዑ እንከለዉ ብዛዕባ እተን ማናቱ ኣዕለላ። እታ ጠበቓ ብኡንብኡ ሞባይላ ኣልዒላ፡ ናብ ሓደ ላካኒ ዝተባህለ ሃብታም ፓኪስታናዊ ደወለት። ላካኒ፡ \"ንዓይ ቀሊል ውሳነ እዩ ነይሩ፡\" ይብል። \"መበቈለይ ከምተን ማናቱ ፓኪስታን ይዅን እምበር፡ ክሕግዘን ዝደለኹሉ ቀንዲ ምኽንያት ግን ህይወት እተን ክልተ ቘልዑ ንምድሓን እዩ፡\" ይብል። ቈልዑ ስለምንታይ ተጣቢቘም ከምዝውለዱ ዝገልጽ ክልተ ክልሰ-ሓሳባት ኣሎ። እቲ ሓደ ክልሰ-ሓሳብ፡ እቲ ናብ ክልተ ድቂ ዝፈላሊ መስርሕ፡ ካብቲ ንቡር ንላዕሊ ስለዝደንጕ እቶም ማናቱ ምሉእ ብምሉእ ከይተፈላለዩ ይተርፉ ዝብል እዩ። እቲ ኻልኣይ ድማ፡ እቶም ማናቱ ድሕሪ ምፍልላዮም ዝተወሰነ ክፋል እቲ ድቂ ከይተመቐለ ይተርፍ'ሞ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ኣካል እቶም ማናቱ እናተጣበቐ ይዓቢ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣፍ ልቢ፡ ከብዲ ወይ ጎሎ እዮም ተጣቢቘም ዝውለዱ። ኣፈጣጥራ ሳፋን ማርዋን ግን ፍልይ ዝበለ እዩ፤ ዝተጣበቓሉ ኣካል ርእሰን እዩ። ገጽ ንገጽ ተረኣእየን ኣይፈልጣን። ስለዝዀነ፡ ክብድ ዝበለ ናይ ገዛእ ርእሱ ብድሆታት ነይርዎ። ከምዚ ዝበለ ኣፈጣጥራ ማናቱ ብገምጋም ኣብ ነፍሲ ወከፍ 2.5 ሚልዮን ሕጻናት ሓደ ግዜ ዘጋጥም እዩ። መብዛሕትኦም ከኣ ድሕሪ 24 ሰዓት ብህይወት ኣይጸንሑን። ብሽክና ርእሰን ዝተጣበቓ እዘን ማናቱ፡ ክልተ ዝተፈላለየ ሓንጎል'ኳ እንተ ኣለወን፡ ቅርጹ ግን ግጉይ እዩ። የማናይ ንፍቀ-ኽቢ ናይታ ሓንቲ ሓንጎል፡ 90 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ናብቲ ናይታ ኻልአይቲ ሓንጎል ውጽእ ዝበለ እዩ። እተን ማናቱ ዳርጋ ንቡር ቅርጺ ዘለዎ ርእሲ ክህልወን እንተ ዀይኑ እቲ ቔናን ቅርጺ ክስተኻኸል ኣለዎ። እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣመና ኣተሓሳሳቢ ዝነበረ ነገር ግን፡ ነቲ ዝተሓላለኸ መራኸቢ ሰራውርን መትረባትን ደም ብኸመይ ከም ዝፈላለ እዩ። ካብ ሓንቲ ናብታ ሓንቲ ደም ይዘዋወር እዩ። ነዚ ርክብ እዚ ምብታኽ፡ እቲ ሓንጎል እታወታት ከይረክብ ስለዝገብሮ፡ ሞት ከጋጥም ይኽእል እዩ። ከምዚአን ዝበላ ማናቱ ምፍልላይ ዓቢይ ሓደጋ ኣለዎ። ሓዲአን ወይ ክልቲአን መጥባሕቲ ኣብ ዝግብራሉ እዋን፡ ክሞታ ወይ  ጕድኣት ሓንጐል  ከጋጥመን ይኽእል። እቲ መጥባሕቲ ኣብ ሰለስተ ክፋል ዝካይድን ብኽልተ ቀንዲ ሓኻይምን ዝምራሕ እዩ። ጀላኒ ንኣእምሮን ሰራውር ደምን እተን ኣዋልድ ኣብ ምፍላይ መሪሕ ግደ ክህልዎ እዩ። ፕሮፌሰር መጥባሕቲ ፕላስቲክ ደቪድ ዱናወይ ድማ ንርእሲ እተን ኣዋልድ ዳግም ኣብ ምህናጽ ሓላፍነት ይወስድ። እተን ማናቱ ናጽነተን ንኽረኽባ ዝግበር ጕዕዞ ተጀሚሩ። እዚ ቀዳማይ መጥባሕቲ፡ ናይተን ማናቱ ናይ ሓባር መትረባት ከም ዝፈላለ ምግባር እዩ። እተን ማናቱ ናብቲ ኽፍሊ መጥባሕቲ ክኣትዋ እንከለዋ፡ ኣደአን ዘይነብ ስዒማ ተሰናቢታተን። እተን ዝቕጽላ ኣዋርሕ ከበድቲ ከም ዝዀና ትፈልጥ እያ ። \"ኵሉ ነገር ደሓን ከምዝኸውን ተስፋ ይገብር። ኣብቶም ሓኻይም እምነት ገይረ ኣለኹ። ኵሉ ሳዕ ናብ ኣምላኽ እየ ዝርኢ፤ ንሱ ድማ ንዅሉ ነገራት ጽቡቕ ክገብሮ እዩ፡\" ኢላ። እቲ ቀዳማይ ዕማም ሰለስተ ዓበይቲ ክፋላት ሽክና ርእሲ ምልጋስ እዩ። ጀላኒ ነቲ ኣብቲ ዝተላጸየ ሽክና ርእሲ እተን ዕሸላት ዘሎ ምልክት ተኸቲሉ፡ ቘርበተንን ኣዕጽምተንን ክፈላሊ ጀሚሩ። ርእሰን ተኸፊቱ ሓንጎለን ምስ ተቐልዐ፡ ነቲ ደቂቕ ቅረጺ ዘለዎ ሰራውር ክምርምር ኣኽኢልዎ። \"ሕጂ እቲ ካብ ሳፋ ናብ ሓንጎል ማርዋ ዝኸይድ መትረብ ተዓጽዩ'ሎ፤ ሕጂ ንጽበ፡\" በለ ጀላኒ። ሓደገኛ ህሞት እዩ። እቲ ርክብ ኣብ ዝተቘርጸሉ ነፍሲ ወከፍ እዋን፡ መጕዳእቲ ሓንጐል ከስዕብ ይኽእል እዩ። ድሕሪ ሓሙሽተ ደቒቕ እቲ ሓኪም ሓንጎል፡ \"ክሳብ ክንድቲ ዝተረበሸ ኣይመስልን እዩ\" ኢሉ ስርሑ ቐጺሉ። እቲ ካብታ ሓንቲ ማንታ ናብታ ካልእ ዝሓልፍ ኦክስጅን ዝሓዘ መትረባት ምቍራጽን ምዕጻውን፡ ጻዕሪ ዝሓትት መስርሕ ንሓያሎ ሰዓታት ቀጺሉ። እቶም ኣባላት ጕጅለ መጥባሕቲ፡ ንሓንጎል ሳፋን ማርዋን ብትዕግስቲ ክፈላልዩ ኸለዉ፡ ብሕክምናዊ ፕላስቲክ ብምዕጋት እንደገና ርክብ ከምዘይህልዎም ገይሮም። እዚ ቀስ ብቐስ እቲ ሓንጎል ናብ ቦታኡ ንኽምለስ ዝሕግዝ እዩ። እቲ ሓባራዊ መትረባት ሓንሳእ ምስ ተፈላለየ፡ እቲ መቓን ሽክና ርእሲ እንደገና ናብ ንቡር ክምለስ ተገይሩ። ድሕሪ 15 ሰዓታት ዝወሰደ መጥባሕቲ፡ እተን ዕሸላት ኣዋልድ ናብ ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን ተወሲደን። እቲ ኵነታት ጽቡቕ ዝኸይድ ዘሎ ይመስል። እቶም ነቲ መጥባሕቲ ዘካይዱ ቀንዲ ሓኻይም፡ ቅድም ሕጂ ተመኵሮ ዘለዎም እዮም። እዚ ናይ ሕጂ መጥባሕቲ ግን እቲ ዝኸበደ እዩ።  ብፍላይ ድማ እተን ኣዋልድ ዕድመአን ዳርጋ ክልተ ዓመት ኰይኑ እዩ። ከምዚ ዓይነት መጥባሕቲ ንምክያድ እቲ ዝበለጸ ዕድመ ካብ 6 ክሳብ 12 ኣዋርሕ ከምዝዀነ እቶም ሓኻይም ይኣምኑ። ሳፋን ማርዋን ግን ዕድሚአን ልዕለኡ'ኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመት ዝመጸ መሳርሒታትን ሞዴላትን ቴክኖሎጂ ድማ ኣዝዩ ምዕቡል ኰይኑ እዩ። እዚ ኸኣ ብዝበለጸ ነቲ ሕክምናዊ ስራሕ ዝርዝር መደብ ንኸውጽእሉ ሓጊዝዎም እዩ። ነቲ መጥባሕቲ ዝሕግዝ ዓቢይ ኮምፕዩተር ኣሎ። ኣብቲ ኮምፒዩተር ዝተጻዕነ ሶፍትዌር፡ ነቲ ፍልይ ዝበለ ስነ-ቕርጽታት እተን ቈልዑ ንምምርማርን መጥባሕቲ ንምግባር ዘኽእሎም መደብ ኣቐዲሞም ንምውጻእን፡ ኣብ ክውንነት ዝተመርኰሰ ሞዴል ኮምፒዩተር ክሰርሑ የኽእሎም። እቲ ኮምፒዩተር፡ ነቲ ዘደንቕ 3D ሞዴል፡ ቈርበት እተን ዕሸላትን ንሽክና ርእሰንን ንኽርእዩ ጥራይ ዝሕግዝ ኣይኰነን። ሳላ 3D ሓታሚ እውን፡ ኣካላዊ ቕርጺ ሒዞም ክሕተሙ ዘኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ካብዚ 3D ሞዴላት'ዚ፡ እቶም መጥባሕቲ ዝገብሩ ሓኻይም እቲ መጥብሒ ቘርበተን ከይተንከፈ ነቲ ኣካላዊ ቕርጺ ንኽምርምሩ ዕድል ፈጢሩሎም እዩ። እቲ መጥባሕቲ ዘካይድ ጀላኒ፡ ነቶም ማናቱ ዝተሓናፈጸ ዋህዮታት ደም ንኽምርምር ዘኽእሎ ዳርጋ ናይ ሓቂ ዓለም ረኺቡ። \"እዚ ብርግጽ ናይ መጻኢ ሜላ እዩ\" በለ። \"ኣብዚ ሆስፒታል'ዚ ዘለዉ መሃንድሳትን ክኢላታት ሶፍትዌርን፡ ከም ሓካይም መጠን ኣብ ናይ ሕክምና ስልጠናና ዘይረኸብናዮ ክእለት ስለዘምጽኡልና ዕድለኛታት ኢና።\" እቲ ኻልኣይ መጥባሕቲ፡ ካብቲ ቐዳማይ ሓደ ወርሒ ድሒሩ እዩ ዝግበር። እቲ ናይ መጀመርታ መጥባሕቲ ነቲ እተን ማናቱ ዝነበረን ናይ ደም ርክብ'ኳ እንተ ዓጸዎ፡ እዚ ናይ ሕጂ ዕማም ግን ነቲ ደም ካብ ሓንጎል እተን ኣዋልድ ዘፍስስ ሓባራዊ ሰራውር ምምቃል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ርክብ፡ ኣብ ሓንቲ ካብተን ማናቱ ወቕዒ ከስዕብ ስለዝኽእል ልዑል ሓደጋ ኣለዎ። እቲ ኻልኣይ መጥባሕቲ ክካየድ ከሎ ብዘይ ጸገም ኣይነበረን። እቲ መቓን ሽክና ርእሲ ምስ ተፈለየ፡ እተን ኣዋልድ ደም ክፈሰን ጀሚሩ። ካብቲ ናይ መጀመሪያ መጥባሕቲ ኣትሒዙ ኣብ ሰራውር ክሳድ ሳፋ ዝረግአ እኩብ ደም ተፈጢሩ። እዚ ነቲ ኣብ ሓንጎላ ዘሎ ዑደት ደም ስለዝዓግቶ ናታ ደም ብቐጻሊ ናብ ማርዋ ንኽፈስስ ገይሩ። ጸቕጢ ደም እታ ሓንቲ ማንታ ኣዝዩ ክልዕል እንከሎ ድማ ናይታ ኻልአይቲ ብዘስግእ ኵነታት ኣዝዩ ትሒቱ። እቶም ክኢላታት መደንዘዚ፡ እተን ማናቱ ዝተረጋግኣ ንክዀና ይቃለሱ ኣለዉ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ'ዩ ልቢ ማርዋ ምንፍርፋር ዝጀመረት፤ ንኸይትመውት ድማ ፈሪሆም። ኵለን ኣዒንቲ ኣብቲ ስክሪን መሳርሒ ሕክምና ክርእያ እንከለዋ፡ ኣብቲ ኽፍሊ መጥባሕቲ ሃንደበት ጸጥታ ዓሲሉ። እቲ ቕልውላው'ኳ እንተ ሓለፈ ብዘይ ከቢድ ሳዕቤን ግን ኣይነበረን። ማርዋ እታ ዝደኸመት ማንታ ከምዝዀነት ንጹር ኰይኑ። ስለዚ፡ ብህይወት ናይ ምትራፍ ዝያዳ ዕድል ምእንቲ ክትረክብ ሓባራዊ ሱር ክህብዋ ወሲኖም። እዚ ኣዝዩ ከቢድ ውሳነ እዩ። ጀላኒ ኣብታ ክሳዕ ሕጂ ብርትዕቲ ዘላ፣ ማለት ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ዘላ ሳፋ ከቢድ ጽልዋ ክህልዎ ከም ዝኽእል ይፈልጥ እዩ። እቶም ኣባላት እታ ጕጅለ ግን እቲ ዘሎ ኣማራጺ፡ ንሱ ጥራይ ከምዝኾነ ተሰማሚዖም። እቲ መጥባሕቲ ልዕሊ 20 ሰዓት ወሲዱ። ጀላኒ፡ \"እፎይ ኢለ። ማርዋ ኣብ ሓደ እዋን ከምእትመውት ተሰሚዑና ነይሩ። ከምቲ ተስፋ ንገብሮ ክልቲአን ካብ ድቃሰን እንተ ተበራቢረን ግን ውጽኢቱ ጽቡቕ ከምዝኾነ ክንፈልጥ ኢና፡\" ክብል ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጹ። እቶም መጥባሕቲ ዘካየዱ ሓኻይም፡ ንጽብሒቱ ንግሆ 06፡30 እዮም ካብቲ ክፍሊ መጥባሕቲ ወጺኦም። ድሕሪ ቐትሪ ጀላኒ፡ እተን ማናቱ ከመይ ከምዘለዋ ክሓትት ናብቲ ሆስፒታል ተሌፎን ደዊሉ። ሳፋ ኣብ ጸገም እያ ዘላ፡ ናይ ምትንፋስ ጻዕሪ ከምዘይትገብርን ቘርበታ እውን ብዝተፈላለየ ሕብሪ ትንኵዕኳዕ ከምዝኾነን ተነጊርዎ። \"'ሳፋ ሞይታ' ኢለ ሓሲበ\" ይብል፣ ብደኻምን ብስእነት ድቃስን ከመይ ኢሉ ብስምዒት ኣብ ባይታ ክሽነኡ ወዲቑ ከምዝበኸየ የዘንቱ። እቲ ዝፈርህዎ ኵነታት ተኸሲቱ። ሳፋ፡ ኣብቲ ንማርዋ ቀንዲ ሰራውር ዝሃቡላ ከባቢ ሓንጎላ ወቕዒ ኣጋጢምዋ። ኣብተን ዝቕጽላ ክልተ መዓልትታት ሳፋ ኣብ ዘስግእ ኵነታት ነይራ። ኣብ መወዳእታ ሳፋ ናይ ሕውየት ምልክት ኣርእያ። ክልቲአን ማናቱ ካብ ደገፍ መሳርሒ እስትንፋስ ወጺአን ባዕለን ከትንፍሳ ጀሚረን። ይዅን እምበር ሳፋ ብሰንኪ እቲ ዘጋጠማ ወቕዒ፡ ጸጋማይ ኢዳን እግራን ብዝተወሰነ ደኺሙ። እዚ ንሕልና ጀላኒ ዝኸበደ እዩ ነይሩ። \"ንዓይ እቲ ዓቢ ህሞት ክትከይድ ከላን ጸጋመይቲ ኢዳ ብግቡእ ክትጥቀመላን ከላን እዩ፡ ከመይሲ ጠንቂ እዚ ጥዕናዊ ኵነታታ ኣነ ከምዝኾንኩ ስለዝፈልጥ፡ ከቢዱኒ።\" ካብቲ ዝተጣበቓሉ ሓባራዊ ኣካል፡ ክልተ ምሉእ ከቢብ ርእሲ ምፍጣር ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። እተን ማናቱ ምስተፈላለየ ላዕላይ ርእሰን ንምሽፋን ዝኸውን እዅል ቈርበት የለን። ዕቤት ቈርበት ንምትብባዕ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ትሕቲ ቘርበት ግምባረንን ኣብ ዝባን እቲ ሓባራዊ ሽክና ርእሰንን ኣርባዕተ ንኣሽቱ ከረጽታት ፕላስቲክ ኣእትዮም ነይሮም። እቲ ከረጺታት ሰይላይን (ሕዋስ ጨውን ማይን) ክውጋእ ከሎ፡ ከም ባሉን ተነፊሑ፡ እቲ ቘርበት ንኽዝርጋሕን ንኽስፍሕን ስለዝገበሮ፡ ተወሳኺ ቘርበት ንኽፈሪ ይሕግዝ። ንሽዱሽተ ሰሙን እዚ ብምግባር ናይተን ማናቱ ርእሲ ንምሽፋን ዝኣክል ተወሳኺ ቘርበት ከም ዝረኽቡ ተስፋ ገይሮም። እቲ ቀጻሊ ስራሕ ነተን ማናቱ ምፍላይ እዩ። በዚ ድማ፡ ኣብ ህይወተን ንመጀመርታ ግዜ ዓይኒ ንዓይኒ ክረኣኣያ እየን ማለት እዩ። ልቢ ማርዋ ክሳዕ ሕጂ ትጽገም ስለዘላ፡ እታ መዓልቲ ምፍልላይ ብኣርባዕተ ሰሙን ንቐድሚት ተሳሒባ። እቲ ፈላማይ መጥባሕቲ ምስተገብረ ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ለካቲት 2019 ክኸውን ተገይሩ። ክሳዕ ሕጂ ዝተሰርሐ ስራሕ፡ ብምሉኡ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ዝግበር ምድላው እዩ ነይሩ። እዚ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን መጥባሕቲ፡ ነቲ ኣብ ኣዕጽምተን፡ ሓንጎለንንን፡ ኣብ ዙርያ ሓንጎለን ዘሎ ዝተረፈ ርክብ (ምጥባቕ) ንምብታኽ እዩ ዝግበር። ሸውዓተ ሰዓታት ዝወሰደ መጥባሕቲ ድማ ተገይሩ። እተን ህይወተን ምሉእ ተጣቢቐን ዝነበራ ማናቱ ተፈላልየን። ሕጂ እውን ማናቱ እየን፣ ብሓደ ዝተጣበቓ ግን ኣይኰናን። ኣብ ህይወተን ንመጀመርታ ግዜ ድሕነት እታ ሓንቲ ኣብ ናይታ ሓንቲ ዝተመርኰሰ ከምዘይከውን ተገይሩ። እዚ ድማ እቶም ሓኻይም፡ ናህሪ ልቢ 'ተን ማናቱ፡ ጸቕጢ ደመንን ካልኦት ኣገደስቲ ምልክታትን ብቐሊሉ ንኽቈጻጸርዎ የኽእሎም። ነተን ማናቱ ምፍልላይ ግን፡ ነቲ ናይ መወዳእታ ቀንዲ መጥባሕቲ መኽፈቲ ጥራይ እምበር መፈጸምታ ኣይነበረን። ሕጂ ኸዓ ርእሰን እንደገና ክንሃንጹን ከጣምሩን ኣለዎም። ሕጂ እተን ማናቱ ነናይባዕለን መጥባሕቲ የድልየን። ብድሕር'ዚ እቶም ኣባላት፡ ኣብ ክልተ ጕጅለ ተኸፊሎም፤ ንነፍሲ ወከፈን ኸቢብ ርእሲ ቐሪጾሙለን። እዚ ኸዓ በቲ ዘፍረይዎ ተወሳኺ ቘርበት፡ ምሉእ ብምሉእ ከምዝሽፈን ተስፋ ይገብሩ። “ጕጅለ ሳፋ”ን “ጕጅለ ማርዋ”ን ሽክና ርእሲ ዳግም ክሃንጹ ጻዕሪ ጀሚሮም። እተን ማናቱ ንርእሰን ዝሽፍን ሽክና ምእንቲ ክረኽባ፡ ነፍሲ ወከፍ ቍርጽራጽ ሽክና ርእሲ ኣብ ክልተ ተመቓቒሉ። \"እቲ ሽክና ርእሲ ብሰለስተ ቐጸላታት እዩ ተነዲፉ፣ ውሽጣዊ ይዅን ደጋዊ ቐጸላታት ኣዝዩ ረጒድ ኣዕጽምቲ'ኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ መንጎኡ ግን ከም ጐጎ መዓር ስለ ዝዀነ፡ ክምቀል ይኽእል እዩ። በዚ ኸኣ ርጕዱ ብፍርቂ ይንኪ ኣሎ፤ እንተዀነ ዳርጋ ንዅሉ ርእሰን ብኣዕጽምቲ ንሽፍኖ ኣለና ማለት እዩ\" ይብል ፕሮፌሰር ዱናወይ። ኣብ መንጎ እተን ኣዋልድ ዝተመቓቐለ ቍርጽራጽ ሽክና ርእሲ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ከቢብ ዝተገብረ ርእሰን ተተኺሉ። እቲ ሃጓፋት ወይ ኣብ መንጎ ኣዕጽምቲ ዝርከብ ክፍተት፡ ብዋህዮታት ኣዕጽምቲ ክምላእ ተገይሩ። ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ነቲ ሃጓፋት እናሸፈነ ክኸይድ ከሎ እተን ማናቱ ነፍሲ ወከፍ ምሉእ ሽክና ርእሲ ይህልወን። እቲ ናይ መወዳእታ ዕማም፡ እዅል ቘርበት ኣብ ልዕሊ እቲ ዳግም ዝተሃንጸ ሽክና ርእሲ ክዝርጋሕ ተገይሩ። \"ኣዝዩ ዘደንቕ መዓልቲ’ዶ ኣይኰነን?\" ይበል ዱናወይ። እቲ ናይ መወዳእታ መጥባሕቲ 17 ሰዓታት ወሲዱ። እቶም ቀንዲ ሓኻይም፡ ስድራቤት ዘይነብ ናብ ዝጽበይሉ ክፍሊ ከይዶም ክረኽብዎም ከለዉ ኵሎም ኣብ ውሽጢ ስምዒት ነይሮም። ጀላኒ፡ ኣብ መወዳእታ ደቃ ከም ዝተፈላለያ ብቛንቛ ኡርዱ ገይሩ ንዘይነብ ነጊርዋ። ዘይነብ ኣብ ውሽጢ ክቱር ስምዒት ኰይና ንጀላኒን ንዱናወይን ኣእዳዎም ስዒማቶም። ኣብ መወዳእታ እታ ሳፋን ማርዋን ዝወጻላ መዓልቲ ኣኺላ። ካብ ዝፈላለያ ዳርጋ ሓሙሽተ ወርሒ ገይረን። ነተን ኣዋልድ ኣገዳሲ ፊዝዮተራፒ (ንሕማም ብምድራዝ፡ ብምጽላው ወዘተ ዝፍውስ ኣካላዊ ሕክምና) እናተገብረለን፡ ኣብ ነዊሕ እዋን ቀስ እናበላ እየን ሓውየን። ዘይነብ ንደቃ፡ ነታ መዓልቲ ንምብዓል ማራኺ ቐይሕን ወርቃውን ክዳውንቲ ከዲናተን። ንሳ ኣብ መወዳእታ ኣቝሑቶም ትጠራንፈሉ ኣብ ዝነበረት እዋን፡ ማርዋ ኣብ ዓራታ ኰይና ኣቦሓጎኣ እናጻወታ ትስሕቕ ነይራ። ሳፋ ድማ ምስ ኣኮኣ ትጻወት ነይራ። ገና ብዙሕ ዝተርፍ'ኳ እንተ ዀነ፡ ተመሊሰን ከም ቀደመን ሰሓቕትን ሕጕሳትን ክዀና ጀሚረን። ዝኸዱሉ ግዜ ምስ ኣኸለ፡ ዘይነብ፡ እቶም ሓኻይምን ከምኡ'ውን እተን ኣለይቲ ሕሙማት ተሓቛቘፎም ነብዑ። ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ 11 ኣዋርሕ መንበሪኦም ኰይኑ ዝነበረ ሆስፒታል ክወጹ እንከለዉ፡ ዘይነብ ነተን ኣዋልድ ምፍልላይ ቅኑዕ ስጕምቲ ከምዝነበረ ኣሚና። \"ኣዝየ ሕጕስቲ እየ። ብጸጋ ኣምላኽ ነታ ሓንቲ ንሓደ ሰዓት፡ ቀጺለ ድማ ነታ ሓንቲ ክሓቝፈን እየ። ኣምላኽ ንጸሎትና ምላሽ ሂቡና እዩ\" ኢላ ሓጐሳ ገሊጻ።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cj7eer5ex21o"} {"headline":"ሕብሪ ዓይንና ስለምንታይ'ዩ ዝቕየር?","content":"ሃንደበት ብዘጋጥም ለውጢ፣ ብሰንኪ ጸገም ወይ ሕማም፡ ብዘገርም ኵነታት ኣዒንትና ሕብሮም ክቕይሩ ይኽእሉ። እቲ ህጻን መጀመርታ ክውለድ እንከሎ፡ ቅሩብ ሓሙኽሽታይ መሳሊ ኣዒንቲ ነይሮምዎ። ኣቦኡ ቡናዊ፡ ኣደኡ ድማ ቀጠልያ ሕብሪ ዓይኒ ኣለዎም። እቲ ቈልዓ፡ ክልተ ዓመት ክመልኦ እንከሎ፡ ኣዒንቱ ልክዕ ከም ናይ ኣቦኡ፡ ጸሊም ቡናዊ ሕብሪ ዘለዎም ኰይኖም። እቲ ናይ መጀመርታ፡ ጸሊም ሓሙኽሽታይ ሕብሪ ዓይኒ ጠቕሊሉ ጠፊኡ። ልክዕ፡ ከምቲ ቅርጺ ኣፍንጫና ወይ ኣቃውማ ኣእዛንና ኣዝዩ ዘገድስና፡ ሕብሪ ዓይንና’ውን ሓደ ካብ ኣካላዊ ስግኣታት ኰይኑ ክስምዓና ይኽእል። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ልዕለና ነባሪ ስምዒት ክፈጥር ዝኽእል ባህሪ’ዩ። ሕብሪ ዓይኒ፡ ሓደ ሰብ ክንደየናይ ተኣማኒ ኰይኑ ንረኽቦ ንዝብል'ውን ክጸልዎ ይኽእል እዩ። ይዅን’ምበር፡ ኣብ መላእ ህይወትና ሕብሪ ዓይንና ሓደ ዓይነት ኰይኑ ኣይነብርን። ብርግጽ፡ ግዳማዊ ጽልዋታት ክቕይርዎ ይኽእሉ’ዮም፤ ካብ መጕዳእቲ ክሳብ ረኽሲ ከምኡ’ውን መጕዳእቲ ጸሓይ ኣብ ሕብሪ ዓይንና ጽልዋ የሕድሩ። ሓሓሊፉ ክኣ፡ ፍኑው ብዝዀነ ኣጋጣሚ ክቕየር ተኽእሎ ኣለዎ። መረዳእታታት፡ ሕብሪ ዓይኒ ሓደ ቈልዓ ክቕየር ይኽእል’ዶ ኣይኽእልን? ዝብል ሕቶ ኣብቲ ሕብሪ ዝምርኰስ ምዃኑ የርእዩ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስታንፈርድ ኢንስቲትዩት ባየርስ ኣይ፡ ክኢላ ሕክምና ዓይኒ [ኦፕታልሞሎጂስት] ካሲ ሉድዊን ዝመርሓቶ ሓደ መጽናዕቲ፡ ኣብ ሆስፒታል ካሊፎርኒያ ናይ ዝተወልዱ 148 ዕሸላት፡ ሕብሪ ጸላም ዓይኒ እቶም ዕሸላት ሰኒዱ። ካብዚኦም፡ ኣስታት ክልተ- መሰለስ ቈልዑ፡ ቡናዊ ሕብሪ ዓይኒ ዘለዎም፡ ሓደ- ሕምሲት ድማ ሰማያዊ ሕብሪ ሒዞም ተወሊዶም። ድሕሪ ክልተ ዓመት፡ ሉድዊንን መሳርሕታን፡ ክልተ ዓመት ምስ ኰኖም፡ ካብ 40፡ እቶም ሰማያዊ ሕብሪ ዓይኒ ዝነበሮም ቈልዑ፡ እቶም 11 ሕብሪ ዓይኖም ቡናዊ፡ ሰለስተ ቀይሕ ቡናዊ፡ ክልተ ድማ ቀጠልያ ኰይኑ። ካብቶም ቡናዊ ሕብሪ ዓይኒ ዝነበሮም ሓደሽቲ ዝተወልዱ ቈልዑ፡ ክልተ ዓመት ክመልኦም እንከሎም፡ እቶም 73 ሕጂ’ውን ቡናዊ ሕብሪ ዓይኒ ነይርዎም። ካብዚ ብምብጋስ፡ ሰማያዊ ሕብሪ ዓይኒ ካብቶም ቡናዊ ዓይኒ ብዝተፈለየ ኣብ መጀመርታ ዕድመ ህጻናት ናይ ምቕያር ተኽእሎ ከም ዘለዎም ኣረጋጊጾም። ግን ንምንታይ? ሓደ፡ ሕብሪ ዓይኒ ቈልዑ ክቕየር እንከሎ ጽዕድው ዘይኰነ ጽልም ዝበለ’ዩ ዝኸውን። መጽናዕቲ ሉድዊን፡ ሓደ መሰለስ ቈልዑ ዓይኖም ኣብ ናይ መጀመርታ ክልተ ዓመታት ሕብሩ ከም ዝቕይር የመልክቱ። መብዛሕትኡ ክኣ ጸሊም’ዩ ዝኸውን። ሓሙሽተ ካብቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተኻተቱ 148 ዕሸላት፡ ኣብ ዓመት ዓይኖም ጽዕድው ዝበለ ኰይኑ። እቲ ናብ ምጽላም ዝኸይድ፡ ምናልባት ኣብ ውሽጢ ብሌን ዓይኒ ብዝፍጠር ናይ ምክልካል ዓቕሚ ዝመጽእ ክኸውን ይኽእል። ከምዚ ዓይነት ብተዛማዲ ልሙድ ዝዀነ ጥዕናኡ ዝሓለወ ለውጢ ሕብሪ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እዋን ቍልዕነት ጥራይ እዩ ዘጋጥም። ልዕሊ 1300 መናቱ ካብ ዕሸል ክሳብ ዕብየቶም ምክትታል ዝገበረ ካልእ ኣብ ኣሜሪካ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣብ ሻድሻይ ዓመት ሕብሪ ዓይኒ ምቕያር ጠጠው ከም ዘብል ይጠቅስ። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት፡ [ካብ 10 ክሳብ 20 ሚእታዊት እቶም ኣብዚ መጽናዕቲ ዝተኻተቱ]፡ ካብ ጉርዝውና ክሳብ ዓቕመ ኣዳም ኣብ ዘሎ ዕብየት ይቕጽል። ፕሮፌሰር ሕክምና ዓይኒ ዩኒቨርሲቲ ዌስተርን ኣውስትራሊያ ዴቪድ ማኪ፡ ወለዲ ሕብሪ ዓይኒ ደቈም ክቕየር ይኽእል’ዩ ዝብል ግምት ከም ዝሕዙ ይዛረብ። “ገለ ወለዲ፡ ‘ዋእ! እዚ ህጻን ክውለድ እንከሎ ሰማያዊ ሕብሪ ዓይኒ’ዩ ነይሩዎ፤ ኣብ ሒደት ዓመታት ግን ክቕየር’ዩ’ ኢሎም ንመሓዙቶም ከውግዑ ሰሚዐዮም’የ። ኣነ ግን፡ ብዛዕባ እዚ መረዳእታ ክረክብ ኣይክኣልኩን። እዞም ክልተ መጽናዕታት ክኣ ውሱናት እዮም፤ ግን ሕብሪ ዓይኒ ክቕየር ከም ዝኽእል ክኣ የርእዩ።” እዚ መጽናዕቲ ውሱንን ኣብ ኣሜሪካ ጥራይ ዝተኻየደን'ውን እንተዀነ፡ ኣብ ኣሜሪካ ዘጋጥም ለውጢ ሕብሪ ዓይኒ ኣብ ሰሜናዊ ኤውሮጳል ደሴት ፓስፊክን ውርሻ ሕዋስ-ዓሌት ዘለዎምን ዝተለመደ እዩ። እዚ ለውጢ፡ ኣብዞም ህዝቢ ኣብ እዋን ቍልዕነቶም ኣብ ጸጕሮም’ውን የጋጥም’ዩ። “ገለ ጨዓይ ጸጕሪ ዝነበሮም ቈልዑ፡ ምስ ዓበዩ ጸጕሮም ጸሊም ቡናዊ ኰይኑ ይርኣይ። እዚ፡ እቲ ኣብ ጸጕሪ ዝርከብ ሕብሪ ዝህብ ነገር እናወሰኸ ዝኸይድ ኰይኑ፡ ነዚ ዝፈጥሩ ዋህዮታት ቍጽሮም እናወሰኸ ይመጽእ ብምህላዩ ዝስዕብ ክኸውን ይኽእል” ይብል ዴቪድ። እዚ፡ ኣብ ሕብሪ ዓይኒ’ውን ተመሳሳሊ እዩ። እቲ ሕብሪ ዝህብ ዋህዮ፡ ድሕሪ ውልደት ኣብ ዘለው ኣዋርሕ ወይ ዓመታት እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ። “እቲ ቀንዲ ኣብ ዓይኒ ዘሎ ሕብሪ ዝቕይር ሜላኒን [ጸሊም ሕብሪ ቈርበት] እዩ። እቲ ሜላኒን ዝዝርግሐሉ መገዲ ክኣ ዝተፈላለዩ ሕብርታት ዓይኒ ክህልው ይገብር” ኢሉ። ዴቪድ ነዚ ከረድእ እንከሎ፡ “ቅልል ብዝበለ መገዲ፡ ሰማያዊ ሕብሪ ዓይኒ ይህልወካ፤ ካልኦት ክኣ ብዛዕባ ሓሙኽሽታይ ከውግዑ ይኽእሉ- ግን ድማ ልውጥ ሰማያዊ’ዩ። ካብኡ ክኣ፡ ውሁድ ቀይሕ ቡናውን ቀጠልያን ዘለዎ ኣሎ። ቡናዊ ከምኡ’ውን ቡናዊ ዝመስል ወይ ኣዐርዩ ቡና ሕብሪ ዝተላበሰ ዓይኒ ኣሎ። እዚ ኹሉ፡ ክንደይ ዝኣክል ሜላኒል ኣሎ ምስ ዝብል ዝተሓሓዝ’ዩ” ክብል የረድእ። ልዑል መጠን ሜላኒን፡ ኣብ ውሽጢ ሓያል ብርሃን ጸሓይ ጠቓሚ ተራ ኣለዎ። ልክዕ ከም ቈርበት፡ ሜላኒን ዓይንና ካብ ጉድኣት ጽሓይ ይከላኸል። ኣብ ብሌን ዓይኒ፡ ውሑድ ሜላኒን ዘሎ ኰይኑ እቲ ሰማያዊ ሕብሪ፡ ኣብ ድሕሪት ብሌን ዓይኒ ዘለው ጭዋዳታት ኮላኝ [fibres of collagen] ብርሃን ክፍንው ከለው ዝፍጠር እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ሰማይ፡ ኣብ ከባቢ ኣየር ክፍነው እንከሎ እዩ ሰማያዊ ሕብሪ ዝህልዎ። ገለ ህጻናት፡ ኣብ ግዜ ስለ ምንታይ ብዙሕ ሜላኒን ይህልዎም ዝብል ግን ክሳብ ሕጂ መልሲ ኣይረኸበን። “እቲ ሕብሪ ብምንታይ ምኽንያት ከም ዝልወጥ ኣይንፈልጥን” ዝብል ማኪ፡ ከባቢያዊ ጽልዋ ዘምጽኦ ግን ክኸውን ከም ዝኽእል ይሕብር። ለውጢ ሕብሪ ዓይኒ፡ ዝዀነ ዓይነት ጉድኣት የብሉን። ግን ክኣ፡ ምስ ካልኦት ከም ጉድኣት፡ ረኽሲ ወይ ጉድለት ብርሃን ጸሓይ ዝተኣሳሰር ክኸውን ይኽእል እዩ። እንግሊዛዊ ስነ ጥበባዊ ዴቪድ ቦዊ፡ ብሰንኪ ሓደጋ ሕብሪ ጸጋመይቲ ዓይኑ ተቐይሩ’ዩ። ኣብ መንጐ ጸሊም ሕብሪ ጸጋመይቲ ዓይኑን ቀሊል ሰማያዊት የማነይቲ ዓይኑን ዝነበረ ኣፈላላይ፡ ጸጋማይ ክፋል ርእሱ ብጉስጢ ምስ ተሃርመ፡ ኣብቲ ከባቢ ብዝተፈጥረ ‘ኣኒሶኮሪያ’ ዝተባህለ ኣፈላላይ መርዓት ዓይኒ ክፍጠር ዝገብር ኩነታት ድሕሪ ምስዓቡ ዝመጽአ እዩ። እቲ ጉስጢ ግን ንሕብሪ ብሌን ዓይኒ ቦዊ ኣይቀየሮን፤ እንታይ ደኣ፡ ምስፋሕ መርዓት ዓይኒ፡ እታ ጸጋመይቲ ዓይኑ ጽልም ዝበለት ክትመስል ገይሩ። ኣብ ዓይኒ ዝበጽሕ ሓደጋ ግን፡ ሕብሪ ብሌን ዓይኒ ክቕየር ከም ዝገብር ማኪ ይገልጽ። “ኣብ ውሽጢ ብዙሕ ደም ናብ ውሽጢ እንተኣትዩ፡ ንክፋል ዓይኒ ክብክሎ ይኽእል’ዩ፤ ወይ ድማ ኩሉ እቲ ሕብሪ ዝህብ እንተተበቲኑን እንተረጊኡን ክፍጠር ይኽእል” ኢሉ። ብዙሕ ዝተለምደ፡ ረኽሲ’ዩ። ናይዚ ሓደ ፍሉጥ ኣብነት ኰይኑ ዝልዓል፡ ኣዒንቲ ተዋሳኢት ሚላ ኩኒስ እዩ። የማነይቲ ዓይና ቡናዊ ኰይና፡ ጸጋመይቲ ዓይና ቀጠልያ እያ። እዚ ‘ሄትሮክሮሚያ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ሓደ ሰብ ዘጋጥም ክልተ ዝተፈላለየ ዓይነት ሕብሪ ዓይኒ’ዩ። ኩኒስ፡ ኣብ ብሌን ዓይና ረክሲ ምስ ተፈጥረ እዩ ሄትሮክሮሚኣ ኣጋጢሙዋ። እዚ ድማ፡ ኣብ ጸጋመይቲ ዓይና ንዝነበሩ ሕብሪ ዝህቡ ዋህዮታት ክጠፍኡ ገይሩ። “ገለ ረኽሲታት፡ ምጥፋእ ሕብሪ ዝህብ ኣካል የስዕቡ’ዮም” ይብል ማኪ። ሓደ ካብኦም፡ ‘Fuch's heterochromic cyclitis’ ዝበሃል ጀርመን ንፍዮ ወይ ‘ሩቤላ’ ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ፍሉጥ ረኽሲ እዩ። “እዚ ቫይረስ፡ ኣብ ዓይኒ ምንባር’ዩ ዝፈቱ፤ እዚ ኽኣ እቶም ሕብሪ ዝህቡ ክጠፍኡ ይገብር።” ካልኦት ቫይረሳት’ውን ኣብ ዓይንና ክጥጥዑ ይደልዩ፤ በዚ ምኽንያት ነቲ ሕብሪ ዝህብ ኣካል ይጐድኡዎ። ንኣብነት፡ ሓደ ውጻእ መዓት ኢቦላ፡ እቲ ቫይረስ ካብ ካልእ ኣካሉ ጠፊኡ ክነሱ ኣብ ፈሳሲ ዓይኑ ብምጽንሑ፡ ሕብሪ ዓይኑ ካብ ሰማያዊ ናብ ቀጠልያ ተቐይሩ’ዩ። ሓሓሊፉ፡ ለውጢ ሕብሪ ዓይኒ ንመላእ ብሌን ዓይኒ ኣይጐድእን፤ ንኡሽቶ ንጣብ ግን ክፍጠር ይኽእል። ብልክዕ ኣብ ቈርበትና ዘጋጥም፡ ኣብ ብሌን ዓይንን ካልእ ክፋል ዓይንን ንጣብን ምልክትን ክወጽእ ይኽእል እዩ። “ምንም ጽልዋ ዘይፈጥር ንጣብ ክልወካ ይኽእል። ኣብ ገሊኦም ግን እዞም ንጣባት ናብ ሕበጥ ይዓብዩ’ዮም፤ እዚ ክኣ ከቢድ ጸገም ከስዕብ ይኽእል” ይብል ማኪ። ገለ ሰባት፡ ኣብ ዓይኖም ዘጋጥም ለውጢ ሕብሪ ሓድሽ ክስተት ኰይኑዎም ክግረምሉ ይኽእሉ’ዮም፤ ግን ድማ ኣብ ዝዀነ እዋን እቲ ለውጢ ኣብ ክንዲ ብጸጋ ምቕባል ብጥንቃቐ ምክትታል ከም ዘድሊ ማኪ የተሓሳስብ።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cn02vrwx9gwo"} {"headline":"ዓይኖም ቅድሚ ምዕዋሩ ንዓለም ዝዘሩዋ ዘለዉ ኣሕዋት","content":"ሰለስተ ደቆም ብግዜ ከይዲ ዓይኖም ከምዝዓውሩ ዝተረድኡ ወለዲ፡ ደቆም ቅድሚ ምዕዋሮም ንዓለም የዝርዎም ኣለዉ። እቶም ሰለስተ ኣሕዋት ካብ ደገ ናብ ውሽጢ'ዩ ዓይኖም ዝዓውር ዘሎ። ደቂ ኢዲትን ሴባስቲያንን ካብ ኣርባዕተ ደቈም እቶም ሰለስተ ብዘርኢ ዝመሓላለፍን ቀስ ብቀስ ብርሃን ዓይንኻ ዘጥፍእን ሕማም ተረኺቡዎም ኣሎ። ስለ ዝዀነ ድማ፡ ደቈም ዓይኖም ቅድሚ ምዕዋሩ፡ ኣብ ልቦና ደቈም ዝኽሪ ንምሕዳር ኣብ ዓለም ንምዛር ወሲኖም ኣለው። እቲ ሕማም ዝዀነ ዓይነት ምልክት ኣየርእን። ሰባት፡ ካብ ዝተወለድሉ ግዜ ጀሚሩ ሒዞምዎ ዝመጽኡ ነገር እዩ። እዚ ጸገም፡ ኣብ ደቈም ከም ዘሎ ዝፈለጡ እዞም ካናዳውያን ወለዶ፡ ሓደ ዓመት ሙሉእ ንጉዕዞ ብምምዳብ ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ጉዕዞ ጀሚሮም። ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ድማ፡ ኣብ ሰለስተ ኣህጉራት ኣብ ዝርከባ ሽዱሽተ ሃገራት በጺሖም ኣለው።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c9endggjg0vo"} {"headline":"ተጣቢቘም ዝተወልዱ መናቱ ንፈለማ ግዜ ገጽ ንገጽ ተረኣእዮም","content":"ኣብ ብራዚል ተጣቢቘም ዝተወልዱ መናቱ ዕውት ብዝዀነ መጥባሕቲ ተፈላልዮም ንፈለማ እዋን ገጽ ንገጽ ክረኣኣዩ በቒዖም። ኣቦ እቶም ደቂ ሰለስተ ዓመት መናቱ ድሕሪ እቲ መጥባሕቲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ “ኣብ ህይወተይ ተሰሚዑኒ ዘይፈልጥ ስምዒት’ዩ ተሰሚዑኒ” ኢሉ።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c04kx4511e5o"} {"headline":"ዓበይቲ ጽዋታት ብዛዕባ ሓንጎል መንእሰያት","content":"ሓንጎልና ኣብ ግዜ ብጽሕና ኣዝዩ እዩ ዝቕየር። ነዚ ለውጢ ተጠቒምና ግን መንእሰያት ብዕቝር ዓቕሞም ኣድማዕቲ ክዀኑ ክንሕግዞም ከም እንኽእል ሓድሽ መጽናዕቲ ይሕብር። ቴሪ ኣፕተር ዝተባህለት ክኢላ ስነ-ኣእምሮ፡ ንሓንቲ ጓል 18 ዓመት መንእሰይ፡ ሓንጎል ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ምስገለጸትላ፡ \"ስለዚ እዩ'ሞ ርእሰይ ዝፍንጀር ዘሎ ኰይኑ ዝስምዓኒ!\" ከምዝበለታ ትዝክር። ካብ ቈልዕነት ናብ ብጽሕና እናበሰልና ኣብ እንኸደሉ ዝርኣዩ ለውጥታት ዘፍርሑ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። ክትቈጻጸሮ ኣጸጋሚ ዝዀነ ምልውዋጥ ስምዒት፡ ቅልውላው መንነት፡ ማሕበራዊ ተቐባልነት ንምርካብ ዘሎ ልዑል ባህጊ፡ ንሓደጋን ንዕንደራን ዝህሉ ሓድሽ ስምዒት፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ መጻኢ ሳዕቤን ተግባርካ ብግቡእ ዘይምሕሳብ ዝኣመሰሉ ኵነታት ክፍጠሩ ይኽእሉ። ኣብ ማእከል'ዚ ምድንጋር፡ መንእሰያት ብውጽኢት ትምህርቲ ብቐጻሊ ይግምገሙ እዮም። ግን ኣብተን ዓመታት ዘለው ዘይቈጻጸርዎምን ዘይግምትዎምን ለውጢታት፡ መንእሰያት ንኸይዕወቱ ወይ ክጽገሙ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም። ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ጥራይ እዮም ኣብዚ ቀንዲ እዋን ምዕባለ ንዝፍጠር መትናዊ ለውጢ ክርድኡን ምስጢራት ሓንጎል መንእሰያት ክፈትሑን ክኢሎም። እዞም መሰጥቲ ሓድስቲ ርድኢታት፡ ብዛዕባ ስምዒትን ተግባርን መንእሰያት ካብ ምግላጽ ብተወሳኺ፡ ገለ ካብቶም ዘጸግሙ ወይ ዘደናግሩ ባህርያት መንእሰያት ናብ ኣዎንታዊ ንምቕያርን ሓንጎሎም ገና ልምሉም ኣብ ዝዀነሉ እዋን ድማ ክእለትን ርድኢትን ንኸጥርዩን ከምዝከኣል የርእዩ። ደሓር ከኣ ግርዝውና ዝተፈላለየ ምዕባለታት ኣእምሮ ዝፍጠረሉ እዋን'ውን እዩ። መንእሰያት፡ ኣብ እዋን ንእስነቶም ዝተማህርዎም መሰረታዊ ነገራት ብምምዕባል፡ ዝያዳ ዘይጭቡጥ ዝዀነ ምኽንያታውነትን ዝያዳ ደቂቕ ፍልልይ ዘለዎም \"ክልሰ-ሓሳብ ኣእምሮን\" ሓዊሱ ዝተራቐቐን ብሱልን ኣገባብ ኣተሓሳስባ ኣብ ምስሳን እዮም ኣለዉ። ብዙሓት መንእሰያት፡ ሰባት ኣይርድኡናን ኢሎም ከማርሩ ምስማዕ ዘገርም ኣይኮነን። ንባህርያት መንእሰያት ዝሃብናዮ ባህላዊ መግለጺታት ብዘሕዝን መንገዲ ድኹም እዩ። ነገራት ምፍታን፡ ዓመጽ፡ ድፍኢትን ሓፈሻዊ ቁጥዐኦምን ብቐሊሉ ብዘይፍላጥን ብዘይምብሳልን ዝመጹ፡ ወይድማ \"ዝነዱ\" ሆርሞናቶምን ምዕባይ ድሌት ጾታዊ ርክብን ዘስዕቦም ክዀኑ ይኽእሉ። \"ንኻልኦት ጽላታት ሕብረተሰብ ምልጋጽን ኣጋንንቲ ገይርካ ምርኣይን ብማሕበረሰብ ቅቡል ኣይኮነን፤ ግን፡ ብዘገርም መንገዲ፡ ንመንእሰያት ምልጋጽን ከም ኣጋንንቲ ገይርካ ምርኣይን ቅቡል እዩ\" ትብል ብዛዕባ ምስጢራዊ ህይወት ሓንጎል መንእሰያትን መጽሓፍ ዝደረሰት ኒውሮሳይንቲስትን ሳራ-ጄይን ብሌክሞር። ንመንእሰያት ክንሕግዝ እንተዄንና፡ እቶም መንእሰያት ዝሓልፍዎ ሚስጥራትን ዓበይቲ ማሕበራዊ ብድሆታትን ብቐረባ ኣቓልቦ ክንገብረሉ ከምዘለና ክኢላ ስነኣእምሮ ኣፕተር ትምጕት። ኣብ ውሽጢ ሓንጎል ዝፍጠሩ ለውጢታት ስነ-ቅርጺ ኣካል እውን ክንርዳእ የድሊ። ቍልዕነት እቲ ዝዓበየ ለውጢ ዝረኣየሉ እዋን እዩ። ካብ ቍልዕነት ናብ ኣብጽሕ እናበሰልና ክንከድ እንከለና ሓንጎልና ዘርእዮም ዓበይቲ ለውጥታት ኣለዉ። ገለ ካብዞም ኣገደስቲ ዝዀኑ ኸኣ፥ ሓንጎል መንእሰያት ድሮ ገለ ካብቲ ኣብ ቍልዕነት ዝነበረ ልምሉምነቱ ክቕንስ ዝኽእሉ እኳ እንተዀነ፡ እዚ ቀጻሊ ምዕባለ ግን ገና ናይ ምምሃር ዓቢይ ዓቕሚ ከምዘለዎም ዘርኢ እዩ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ንቝልዕነት ከማዕብልዎ ዝጀመሩ ትምህርታዊ ክእለትን ፍልጠትን ብምህናጽን ዝያዳ ዝተራቐቐ ኣገባብ ተመኵሮ ከማዕብሉን የኽእሎም። እቲ ዘሕዝን ግን፡ እቲ ዝፍጸም ዘሎ ስነ-መትናውን ስነ-ኣእምሮኣውን ለውጢ ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ኰይኑ ኣብ ቤት ትምህርትን ኣብ ገዛን ምዝንባዕ ዘስዕቡ ባህርያት ንኸርእዩ ከቃልዖም ይኽእል። እቲ መንእሰያት ዝፍለጡሉ ሓደጋ ምውሳድ፡ ሕጊ ምፍራስን ሓፈሻዊ ዓላዊነትን ንርአ። መጽናዕትታት ምስሊ ሓንጎል፡ ብሓፈሻ ምስ ሽልማት ዝተኣሳሰሩ መዳያት ሓንጎል ካብቶም ምስ ምዕጋትን ርእሰ-ምግታእን ዝተኣሳሰሩ ብዝቐልጠፈ ከምዝምዕብሉ የመልክቱ። ብሓፈሻ ምስ ሽልማት ዝተኣሳሰሩ መዳያት ሓንጎል፡ ኣብ ዓበይትን ንኣሽቱ ህጻናትን ክነጻጸሩ ከለዉ፡ ኣብ ምልክት ናይቲ ምስቲ ምስ ሓጎስን ባህጊ ፍልጠትን ዝተኣሳሰር ዶፓሚን ዝዓበየ ንጥፈታት ኣለዎም። ሓድሽ ወይ መሳጢ ዝዀነ ነገር ምስ ዘጋጥሞም ዝዓበየ ነጥብታት የርእዩ። ስለዝዀነ፡ መንእሰያት ሓደስቲ ተመኵሮታት ንኽፍትኑ ዝያዳ ክደፋፍኡ ተኽእሎኦም ዘገርም ኣይኮነን። ሓደ ሳዕቤኑ ድፍኢትን ሓደገኛን ውሳነ ምሃብ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ እቲ ንምፍላጥ ዘለዎም ባህጊ ግን ብልጫታት እውን ኣለዎ። መንእሰያት ብዙሕ ዝተፈላለየ ተመኵሮታት ክፍትኑ ይኽእሉ እዮም፣ እዚ ድማ ከም ዓቢይ ሰብ ንውልቃዊ ውሳነታቶም ንምምራሕ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል። ንኣብነት፡ ተጓይዮም ዘይምቹእ ፍቕራዊ ርክብ ምጅማሮም እንታይ ዓይነት መጻምድቲ ዝያዳ ከም ዝጥዕሞም ንኽፈልጡ ክሕግዞም ይኽእል እዩ። መንእሰያት ንረብሓታቶም ዝገብርዎ ሃድንን ከምኡ’ውን ስልጣን ወይ ትእዛዝ ዕሽሽ ምባል፡ ቴክኖሎጂያዊ፡ ማሕበራውን ፖለቲካውን ለውጢ ንምብራኽ ክሕግዝ እውን ይኽእል። \"ደረታት ሓሊፉ ዝድህስስ ሓድሽ ወለዶ ኣሎና፤ እዚ ወለዶ ዓቢይ ምህዞ፡ ድፍረትን ፈጠራን ዝህበና እዩ\" ትብል ኣፕተር። መንእሰያት ዝያዳ ግዜ ኣብ መጽናዕቲ ከሕልፉ ንዝመርጹ ወለድን መምህራንን፡ እዚ ተስፋ ዘቝርጽ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ፍርሒ ዘይብሉ ጸዓት ናብ ትርጉም ዘለዎ ንጥፈታት ክመሓላለፍ ከሎ ግን፡ ነቲ ሕብረተሰብ ንምጥንኻር ክሕግዝ ይኽእል እዩ። መንእሰያትን፡ ነቶም ዓበይቲ ወለዶታት ዝተቐበልዎም መንግስታት'ውን ብትብዓት ተቓሊሶም እዮም። ብተመሳሳሊ ምልውዋጥ ስምዒት መንእሰያት ምስ ብስለት ዝተኣሳሰር ስነ-ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን መስርሓት ብዝገብርዎ ምትሕውዋስ ክግለጽ ይከኣል። ሓደ ካብኡ፡ ብዙሓት መንእሰያት ዓበይቲ ምልውዋጣት ኒውሮትራንስሚተር (ኣብ መወዳእታ ጽሕጊ መትኒ ዝፍኖን ነቲ ድልየት ወይ መልእኽቲ ናብ ካልእ ኣካል ንምስግጋር ዝጸሉ ኬሚካላዊ ንጥረ ነገር) ከምኡ’ውን ሆርሞን (ናብ ደም ሓሊፉ ንህዋሳት ኣካላት ዘንቀሳቕስ ውሽጣዊ ነዝዒ) የጋጥሞም እዩ። እዚኦም ምልውዋጣት ኣብ ስምዒቶም ጽልዋ ከሕድሩ ይኽእሉ። \"ንኣብነት ሴሮቶኒን 'ጽቡቕ ስምዒት ዝፈጥር ሆርሞን'ዩ። እዚ ሆርሞን እንተቐኒሱ ኣዝዩ ትሑት ስምዒት ይስምዓካ\" ይብል ብዛዕባ ሓንጎል መንእሰያት መጽሓፍ ዝጸሓፈ ክኢላ ክሊኒካዊ ስነ-ኣእምሮ ጆን ኮልማን። ሚድያል ፕሪፍሮንታል ኮርተክስ፡ ኣብ ምቍጽጻር ዝተሓላለኸ ኣእምሮኣዊ፡ ስምዒታውን ባህርያውን ስርሓት ተራ ኣለዎ። እዚ ሰባት ምስ ካልኦት ብኸመይ ከምዝዘራረቡን ምላሽ ከምዝህቡን ዝምልከት መስርሕ ኰይኑ መንእሰያት ኣብዚ’ውን ዝያዳ ንጥፈታት የጋጥሞም እዩ። ምስ ርእሰ-ገምጋም ኣብ ዝተኣሳሰር ከባቢታት ሓንጎል ዝፍጸም ንጥፈታት፡ ኣብ መፋርቕ ዕድመ ንእስነት፡ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ክበጽሕ ይኽእል። እዚ፡ መንእሰያት ማሕበራዊ ርክባትን መርበባት ንኽርድኡን ዕርክነት ንኽፈጥሩን ይሕግዞም። እንተዀነ ብፍላይ ንንእሽቶ ምልክታት ጽልኢ ተኣፈፍቲ ክዀኑን ስለ ዝኽእሉ፡ ንማሕበራዊ ጭንቀት ዘለዎም ተቓላዕነት ይውስኽ። ንኣብነት ቅድሚ ሕጂ ከቢድ ውድቀት ኣጋጢምዎም ዘይፈልጥ እንተዀይኑ፡ ኣብ ፈተና ትሑት ውጽኢት ክረኽቡ ከለዉ ዝፍጠር ተስፋ ምቝራጽ ንምርዳእ ኣዝዩ ክኸብዶም ይኽእል። መንእሰያት ዘርእይዎ \"ልዕሊ ዓቐን ምላሽ\"፡ ነቲ ዝተሓላለኸ ስምዒታዊ ዓለሞም ባዕሎም ንምርዳእ ዝገብርዎ ጻዕሪ እዩ። እዚ ድማ ንዳሕረዋይ ህይወቶም ኣገደስቲ ዝዀኑ ክእለታት ዝረኽብሉ መገዲ እዩ። ካልእ መንእሰያት፡ ከም ድንዙዛት፡ ፈዛዛት፡ ጎሳሳት ወይ ዘይንጡፋት ከምዝዀኑ ገይርካ ምሕሳብ ኣሎ። ጠንቂ እዚ ስንፍና ወይ ዘይምግዳስ ወይ ሐራይ ኢልካ ዘይምድቃስ እዩ ዝብል ግጉይ ኣተሓሳስባ ይንጸባረቕ። ብሓቂ ግን ካብ ቍጽጽሮም ወጻኢ ስለዝዀነ እዩ፤ ፕሮግራም ኣካላቶም ምስ ፕሮግራም ዓበይቲ ሰባት ብዘይሰማማዕ መንገዲ ስለዝተቓነየ ጥራይ እምበር ካልእ ኣይኮነን። ዓበይቲ ሰባት፡ ምሸት ኣብ ሓንጎልና ዝርከብ ሜላቶኒን ክውስኽ ከሎ ድቃስ ይመጸና፤ ንግሆ ምስ ተሓተ ድማ ንነቅሕ ወይ ንበራበር። ኣብ መንእሰያት ግን፡ ሜላቶኒን ካብ ዓበይቲ ዝያዳ ድሒሩ እዩ ዝውስኽን ዝትሕትን። እዚ ማለት ወለዲ ንምድቃስ ክዳለዉ ከለዉ መንእሰያት ንቝሓትን ንጡፋትን ይዀኑ፤ ንግሆ ወለዲ ንቑሓትን ንጡፋትን ኣብ ዝኾኑሉ እዋን ድማ ድኻምን ድቃስን ክስምዖም ይኽእል። ኮልማን፡ \"ዝዀነ ዓቢይ ሰብ ሰዓት ትሽዓተ ንግሆ ኣብ ሓንጎሉ ዝተረፈ ሜላቶኒን ኣይህሉን፡ ኣብ ኣስታት ፍርቂ መንእሰያት ግን ገና ዝተረፈ ሜላቶኒን ኣሎ\" ይብል። ‘ስርዓተ ሽልማት’ ሓንጎል ክበሃል ከሎ እንስሳታት ወይ ሰባት ንኽለዓዓሉ ወይ ብቕዓቶም ኣብ ዝውስኽ ባህርያት ንኽዋፈሩ ዝድርኽ እዩ። እዚ ዅሉ ርኽበታት፡ ንመንእሰያት ኣብ ብድሆታት ህይወት ክመርሑ ተስፋ ንዝገብሩ ወለድን መምህራንን ዕቱብ ተገዳስነት ክህልዎም ዝገብር እዩ። ንኣብነት ተግሳጽ ንውስድ። ብናዕቢ መንእሰያት ተስፋ ምቝራጽ ባህርያዊ እዩ። ግን እቲ ልዑል ስምዒታውን ማሕበራውን ተኣፋፍነቶም ንሕርቃን ጽቡቕ ምላሽ ክህቡ ዘለዎም ተኽእሎ ክጸብብ ክገብር ይኽእል። \"ዋላ'ኳ ምጭዳር ኣዝዩ ፈታኒ እንተዀነ፡ ናይ ብሓቂ ግን ውጽኢታዊ ኣይኮነን\" ትብል ኣፕተር። \"ነቲ ስምዒታዊ መልእኽቲ ኣዝዮም ተኣፈፍቲ ስለዝዀኑ፡ ነቲ ከተመሓላልፍዎ ትፍትንዎ ዘለኹም ዝዀነ ስነ-መጎት ክሰምዑ ኣይክእሉን።\" ዝያዳ ውጽኢታዊ ተግሳጽ፡ ነቲ መንእሰይ ንተግባራቱ ካሕሳ ክገብር ምሕታት ከምዝኾነ ኣፕተር ትመክር። ንኣብነት፡ ሓደ መንእሰይ ኣዝዩ ኣበርቲዑ ብምጽዋት መጽናዕቱ ሸለል ኢሉ እንተኾይኑ፡ ወለዱ ሰነፍ ካብ ዝብልዎ ወይ ዝቐጽዕዎ፡ ኣብ ትምህርቱ ኣዝዩ ውጽኢታዊ እንተኾይኑ መሰል ማሕበራዊ ርክብን ጸወታን ክረክብ ከም ዝኽእል ከጕልሑ ይኽእሉ። ናእዳን ኣወንታዊ ግብረ-መልስን እውን ብፍላይ ብቕልጡፍ እንተተዋሂቡ ረብሓኡ ልዑል እዩ። ኣብ ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ፡ ተመሃሮ ፈተና ምስ ወድኡ ድሕሪ ሰሙናት እዮም ውጽኢቶም ዝፈልጡ። እዚ ድማ፡ ንጽቡቕ ውጽኢት ዝህልዎም ፍናንን ዕግበትን ከም ዝንክዮ ኮልማን ይኣምን። \"ቀልጢፍካ ትረኽቦ ግብረ-መልሲ፡ ዝያዳ ጽልዋ ኣለዎ\" ይብል። ድሕሪኡ ሕቶ ድቃስ ኣሎ። ብዝበለጸ፡ ኣብያተ ትምህርቲ መደባተን ቀይረን ቅድሚ ፋዱስ (ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ) ድማ ፈተና ካብ ምሃብ ክቝጠባ ይግባእ። የግዳስ ንቝሓት ኣብ ዝዀንሉ ሰዓት (ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ) እንተተፈተኑ ዝሓሸ ይኸውን። ኣብ ስምዒት መንእሰያት ቅኑዕ ተገዳስነት ምግላጽን ምኽንያት እቲ ዘጋጥሞም ብድሆታት ንኽርድኡ ምሕጋዝን ጥራይ ንባዕሉ ዓቢይ ረብሓ ኣለዎ። ኣፕተር ምስ መንእሰያት ኣብ ዝተዛተየትሉ እዋን፡ ብዙሕ ኣወንታዊ ርክባት ኣጋጢምዋ እዩ። መንእሰያት መብዛሕትኡ ግዜ ብፍላይ ኣብ ሓንጎል ዝመጽእ ለውጢ ብተግባር ክቕረጽ ከምዝኽእል ዝገልጸ ሓሳብ ከም ዝቕበልዎ ትሕብር። እቲ ሓቂ፡ ከም ርእሰ-ምግታእን ምቍጽጻር ስምዒታቶምን ዝኣመሰሉ ክእለታት ብዝተለማመዱ መጠን፡ ዝሓሹ ሰባት ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ዘበራትዕ ሓቂ እዩ። ብቕኑዕ ደገፍ፡ እቲ ኣእምሮኣዊ ፍንጀራ ከም ዘሰንብድ ዘይኮነስ ዝያዳ ከም ምፍንጃር ርችት ኰይኑ ክስምዓና ይኽእል እዩ፤ ድራማዊ'ኳ እንተዀነ፡ ግን ከኣ ፈጠራ ዝተመልኦ፡ ዘደንቕን ጽቡቕን እዩ።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72706012dpo"} {"headline":"ከሳዳ 90 ዲገሪ ዝተጠውየት መንእሰይ ብመጥባሕቲ ሓውያ","content":"ኣብ ፓኪስታን እትነብር ኣፍሺን ጉል እትበሃል ጐርዞ፡ ክሳዳ 90 ዲግሪ ክጥወ ዝገብር ሳሕቲ ዘጋጥም ሕማም ነይሩዋ። ጕዳያ ናብ ሓንቲ ኣብ ህንዲ ትርከብ ሓኪም ክሳዕ ዝቐርብ ድማ ግቡእ ሕክምና ኽትረክብ ተጸጊማ ነይራ። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኡርዱ ሪዝ ሶሄል እታ መንእሰይ ኣብ ደልሂ ህይወት ዘድሕን ሕክምና ንምርካብ ብዛዕባ ዝገበረቶ ጕዕዞ ጸብጻቡ ኣሎ። ንመብዛሕትኦም ህጻናት መማህርቶም ወይ ጐረባብቶም እዮም መሓዙት ዝዀንዎም። ሓድሓደ ግዜ ግን እቲ ዝፈትውዎ መጻወቲኦም ባምቡላ ወይ እውን እንስሳ ክኸውን ይኽእል። ኣብ ኣውራጃ ሲንድ ፓኪስታን ንትነብር ጓል 13 ዓመት ኣፍሺን ጉል ግና ህይወት ቍሩብ ዝተፈልየ እዩ ነይሩ። እታ ሸውዓተ ኣሕዋት ዘለውዋ ሕሳስ ልደ ፈጺማ ናብ ቤት ትምህርቲ ከይዳ ወይ ምስመሓዙታ ተጻዊታ  ኣይትፈልጥን። ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት ጓል 10 ወርሒ ኸላ ብሓደጋ ኻብ ኢድ ሓብታ ስለ ዝወደቐት ክሳዳ ብ90 ዲግሪ ተጠውዩ ስለ ዝነበረ እዩ። ወለዳ ናብ ሓኪም ወሲዶማ፤ መድሓኒት ተዋሂብዋ። እቲ ሓኪም ደገፍ ክትረክብ ኣብ ክሳዳ ዕጣቕ እንተገበረላ እውን ኵነታታ እናገደደ ኸይዱ። ኣደ ኣፍሺን ጃሚላን ቢቢ ተወሳኺ ሕክምና ኺግበረሎም ከም ዘይክእሉ ብምግላጽ፡ \"ብእግራ ኽትከይድ ክትበልዕ ወይ ክትዛረብ ኣይትኽእልን ነይራ። ኣብ ምድሪ በጥ ትብል ነበረት ንሕና ድማ ኣብ ኵሉ ነገራት ንሕግዛ ነይርና\" ትብል። ን12 ዓመት ኣብታ ካብ ከተማ ካራቺ ዳርጋ 300 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ ትርከብ ሚቲ ትበሃል ቁሸት ኣብ ገዝኣ እያ ኣሕሊፋ። ይኹን እምበር ኣብ መጋቢት ሓደ ህንዳዊ ሓኪም ኣብቲ ዝተጠውየ ክሳዳ መጥባሕቲ ምስ ገበረት ህይወታ ተቐይሩ። ኣብ ደልሂ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣፖሎ ናይ ዓንዲ ሕቘ መጥባሕቲ ክኢላ ዝዀነ ዶ\/ር ራጃጎፓላንክሪሽናን ንኣፍሺን ብናጻ መጥባሕቲ ኽገብረላ ሓሳብ ኣቕሪቡ። ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ኣፍሺን ርእሳ ክኢላ ክትከይድ፣ ክትዛረብን ክትበልዕን ጀሚራ። ቍስሊ እቲ መጥባሕቲ ሓወዩላ እዩ። \"ቍሩብ ድኽም ይብላ እዩ፤ ሕጂውን ናብ ቤት ትምህርቲ ክትከይድ ኣይትኽእልን። እቲ ሓኪም ግን እናመሓየሸት ከምትኸድ ነጊሩና ኣሎ፡\" ይብል ሓዋ ያኮብ ኩምባር። \"እቲ ሓኪም ህይወታ ሓፍተይ ኣድሒኑላ እዩ ። ንዓና መልኣኽ እዩ።\" ክብል ድማ ወሲኹ ገሊፁ። ኣፍሺን ኣትላንቶ-ኣክሲያል ናይ ዓንዲ ሕቘ ምዝዋር ስለዝጋጠማ እዩ ክሳዳ ክጥውይ ክኢሉ። ዶ\/ር ክሪሽናን፡ \"እዚ ከጋጥም ምናልባት ኣብ ዓለም ናይ መጀመርታ ግዝ ክኸውን ይኽእል እዩ\" ይብል። ኣብ 2017 ዛንትኣ ኣብ ሓደ መርበብ ሓበሬታ ምስተዘርግሐ ዓለምለኻዊ ኣቓልቦ ረኺቡ ነይሩ። ኣሃሳን ካን ዝበሃል ውሩይ ፓኪስታናዊ ተዋሳኢ ኣብ ፌሰቡኩ ናይ ኣፈሺን ስእሊ ብምልጣፍ ሰባት ንክሕግዝዋ ተላብዩ። ብድሕሪኡ ኣደ ኣፍሺን ከኣ ኣብቲ ሳናም ባሎኽ ዘዳለዎ ህቡብ ናይ ንግሆ ምርኢት ክትካፈል ተዓዲማ። ሓደ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ማሕበር ድማ ንመጥባሕቲ ዝኾን ገንዝብ ብኢንተርነት ኣተኣኻኺቡ። ኣብ ሕዳር 2017 ናዝ ባሎኽ ዝስሙ ኣባል ባይቶ እቲ ዝገዝእ ዝነበረ ሰልፊ ህዝቢ ፓኪስታን፡ መንግስቲ ሲንድ ኣፍሺን ምሉእ ሕክምና ኸምዝገብረላ ትዊት ገይሩ። ኣፍሺን ኣብ ለካቲት 2018 ኣብ ካራቺ ኣብ ዝርከብ ዝዓበየ ናይ ብሕቲ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ 'ኣጋ ካን' ኣተያ። ኣብኡ ኸኣ ሰብሞያ ሕክምና መጥባሕቲ ከምዝገብሩላ እንተዀነ ግን \"50 ሚኢታዊት ብህይወት ናይ ምትራፍ ኣጋጣሚ\" ከምዘለዋ ከምዝሓበርዎም ሚስተር ኩምባር ገሊጹ። ኣፍሺን ቅድሚ እቲ ናይ ክሳዳ መጥባሕቲ ካልእ ኽልተ ቐንዲ መጥባሕቲ ተገይሩላ'ዩ። እቲ ቐንዲ መጥባሕቲ ኣብ ለካቲት እዩ ተገይሩ። ዶክተር ክሪሻን ንሱን ጕጅለኡን ሽዱሽተ ሰዓት ብዝወሰደ መጥባሕቲ ሽክና ርእሲ ኣፍሺን ምስ ዓንዲ ሕቘኣ ኸም ዝለገቡ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ድሕር'ዚ ክሳዳ ትኽ ምእንቲ ኽብል እቲ ሽክና ርእሲ ብበትርን መላግቦን ምስ ዓንዲ ሕቘ መዓናጡ ይጣበቕ። ሕጂ \"ፍሽኽ ትብልን ትዛረብን\" ከም ዘላ ሚስተር ኩምባር ይገልጽ። \"እንተዀነ ግን ካብ ካልኦት ህጻናት ድንጉይ ትብል እያ፤ ግን ክመሓየሽ እዩ። ሕጂ ሓብተይ ብህይወትምህላዋን ሕጕስቲ ምዃናን የሐጕሰኒ እዩ\" ክብል ገሊፁ።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crgr4nlq654o"} {"headline":"ኣብ እንዳመስተ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 15 መናእሰይ ተቐቲሎም","content":"ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ትርከብ ስዌቶ ትብሃል ንእሽቶ ከተማ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሑድ 14 ሰባት ከምዝተቐትሉ ፖሊስ ገሊጹ። ብረት ዝተዓጥቁ ሰባት፡ ሎሚ ሰንበት ንጉሆ ናብቲ 'ኦርላንዶ ኢስት' ብዝብል ዝፍለጥ ቤት መስተ ኣትዮም ናብቶም መናእሰይ ክትኵሱ ከምዝጀመሩ ፖሊስ ዝሃቦ መግለጺ የመልክት። ብድሕሪ'ቲ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ናብ ጻዕዳ ሚኒባስ ተሳፊሮም ከምዝሃደሙ ዝሓበረ ፖሊስ፡ ጠንቂ ናይቲ መጥቃዕቲ እንታይ ከምዝኾነ ኣይነጸረን። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኖምሳማሴኮ ትሽዓተ ሰባት ኣብ ሆስፒታል ኣብ ከቢድ ኵነታት ከም ዘለዉ ሓቢራ። እቶም ግዳያት ካብ 19 ክሳዕ 35 ዓመት ዝዕድመኦም ከምዝኾኑ ይግመት። ሓለቓ ፖሊስ ግዝኣት ጋውተንግ ሌተናል ጀነራል ኤልያስ ማዌላ፡ እቲ መጥቃዕቲ \"ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰራሕተኛታት እቲ ቤት መስተ ዘነፃፀረ ጭካነ ዝተመልኦ ቅትለት\" ከም ዝዀነ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተዅሲ ልሙድ ኮይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባራት ዝሳተፉ ሰባት ወይ ኣልኮላዊ መስተ ብዝተተሓሓዘ እዩ ዘጋጥም። እዚ ግን ብዙሓት መንእሰያት ዝተቐተሉሉ ብምዃኑ ከምዝፍለ ይግለፅ። ቅድሚ ሰሙን ኣቢሉ ኣብ ከተማ ኢስት ለንድን ኣብ ዝርከብ ካልእ እንዳመስተ ብጋዝ ወይ ብመርዚ ንዝሞቱ 22 መናእሰይ ስዒቡ እዩ እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ። ሽዑ እቶም 22 ኣፍላ መናእሰይ ምውዳእ ፈተና ፍርቂ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ብሓባር ኣብ ሓደ እንዳ ለይታዊ ትልሂት ይዘናግዑ ነይሮም። እቶም 22 ኰተቴ ኣብ ውሽጢ እቲ ለይታዊ ትልሂት፡ ኣብ መሬትን ጠረጴዛን ወዲቘም ዝተረኽቡ እንትኾን ዕድመኦም ካብ 13 ክሳብ 20 ዓመት ይግመት። ካብቶም ግዳያት ብዕደመ ዝነኣሰት፡ ጓል 13 ዓመት ህጻን ነይራ። ኣብ ሓደ ለይቲ ክንድዚ ዝኣኽሉ መንእሰያት ብምማቶም ኣብታ ሃገር ዓቢይ ስንባደ ፈጢሩ ነይሩ። ፕረዚደንት ስሪል ራማፎዛ ብሞት እቶም መናእሰይ ዝተሰምዖ “ዓሚቝሓዘን” ምግላፁ ድማ ይዝከር። ሎመዓልቲ ድማ ኣብ ስዌቶ ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤት መስተ ብዘይተፈለጠ ምኽንያት 14 መናኣሰይ ምቕታሎም ዘደንግጽ ኩነታት ፈጢሩ'ሎ።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c6p3ezj8025o"} {"headline":"ካብ ዕግርግር ዘምለጡ ኣማኢት ህጻናት ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣዕቝቦም","content":"ብኣማኢት ዝቑጸሩ ቆልዑት ሃይታውያን ካብቲ ህይወት ኣማኢት ዝበልዐ ናዕቢ ኣምሊጦም ኣብ ርእሰ ከተማ ፖርት ኤዩ ፕሪንስ ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ከምዘዕቖቡ ተገሊጹ። ካብ እግሪ ተኽሊ ክሳብ ሰገናት ዝርከብዎም ህጻናት ኣብቲ መምሃሪ ክፍልታት ውሩይ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ሎይስ ዲ ጎንዛጕ ደቂሶም ይረኣዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 7 ኣብ ከተማ ሲቴ ሶለይል ኣብ መንጎ ክልተ ተነሓናሕቲ ሸፋቱ ጉጅለታት ሓያል ናዕብን ዕግርግርን ተላዒሉ። ብሰንኪ እቲ ናዕብን ህውከትን ኣስታት 300 ሰባት ከምዝሞቱ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ገሊጾም። ሮይተርስ ካብ ውሽጢ እቲ ቤት ትምህርቲ ከምዝሓበሮ እቶም ቆልዑት ሕብሕቢኢተይን ካልኦት ዓይነት ጸወታታት ክጻወቱ ተራእዮም። ካብ ቀጽሪ እቲ ቤት ትምህርቲ ወጻእ ናዕብን ህውከትን ይቅጽል ኣብ ዝነበረሉ ግዜ እቶም ተመዛበልቲ ቆልዑት ዝተፈላለዩ ዓይነት ጸወታታት ይጻወቱ ከምዝነበሩ ዝተገለጸ ኮይኑ ፈላሲት ሲስተር ሮዝሚለን ግን እቶም ህጻናት ብዙሕ ሓገዝ ከምዘደልዮም ተዛሪባ። “እቲ ዝመጽእሉ ከባቢ ኣዝዩ ሕማቕ’ዩ ዘሎ። ሓገዝ መግቢ ክመጽኣልና ኢና ንጽበ ዘለና፤ እንተኾነ ግን እንረኽቦ ዘለና ድጋፍ ኣዕጋቢ ኣይኮነን” ዝበለት ሲስተር ሮዝሚለን ነቶም ቆልዑት ናብ ካልእ ቦታ ንምግዓዝ ተስፋ ከምዘለዋ ገሊጻ። ሓደ ወዳቢ ማሕበረሰብ ንሮይተረስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቶም ቆልዑት ካብቲ ህውከት ንምህዳም ንመራሕቲ እቲ ናዕቢ ከእምንዎም መእንታ ናይ ቤት ትምህርቲ ዲቢዛ ተኸዲኖም ናብ ትምህርቶም ይኸዱ ከምዘለዉ ተመሲሎም ከምዝድሓኑ ሓቢሩ። መብዛሕቲኦም እቶም ቆልዑት ወለዶም ካብቲ ኵናት ክሃድሙ ብዘይምኽኣሎም ብዘይ ናባይ ንብሕቶም ከምዝርከቡ’ውን ወሲኹ ገሊጹ። ኣብ መንጎ ‘ጂ9’ ን ‘ጂፐፕ’ ዝተብሃሉ ናይ ሸፋቱ ጉጅለታት ዝተፈጠረ እምባጓሮ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 7 ዝተጀመረ ኮይኑ ባእሶም እቲ ከባቢ መን ተቖጻጸረ ንምርግጋጽ’ዩ። ብሰንኪ እቲ እምባጓሮ ዛጊድ ብውሕዱ 300 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካብዚኣቶም እቶም 21 ብሓዊ ከምዝተቓጸሉን ናይ 16 ሰባት ከኣ ሃለዋቶም ከምዘየለ ጸብጻባት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የረድእ። እቶም ናዕበኛታት መንበሪ ኣባይቲ ንምቅጻል ዓበይቲ ማሽነሪታት ከምዝተጠቐሙን 125 ገዛውቲ ከምዘዕነዉን ተፈሊጡ። እቲ ኩነታት እንዳመጸጸ ምስከደ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሃይቲ መሸጣ ንኣሽቱ መሳርሒ ኵናት ክእገድ ብምሉእ ድምጺ ምዉሳኑ ዝዝከር’ዩ። ኣብ ሃይቲ ዋሕዲ ነዳድን ኤሌክትሪክን ዘስዓቦ ተቛውሞታት ክካየዱ ጸኒሖም ኣለዉ። ፕረዚደንት ናይታ ሃገር ዝነበረ ጆቬኔል ሞይሴ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዕሱባት ካብ ዝቕተል ንድሓር ኣብ ሃይቲ ብጉጅለታት ሸፋቱ ዝካየዱ ናዕብታት ተበራኺቶም። ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዝነበረ ግዜ ጥራይ 540 ሰባት ከምዝተጨወዩን 780 ሰባት ድማ ከምዝሞቱን ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የረድእ።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c51dxrxz5gjo"} {"headline":"ጭዋዳታት ናብ ኣዕጽምቲ ዝቕይር ሕማም","content":"ኣሌክስ ሮቢንስ ንጓላ ክትሓርስ እንከላ ይዅን ነፍሰጾር ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ዝስምዓ ዝተፈልየ ነገር ኣይነበረን። ንሳን ሰብኣያ ዴቪድን ውላዶም ሓቝፎም ናብ ገዛኦም ምስተመልሱ ግን፡ ዓባይ ኣጻብዕቲ እግሪ 'ታ ውላዶም ንውሽጢ ተዓጺፋ ርእዮም። \"ዝዀነ ሓኪም ምእንቲ ክርእያ ተጓዪና ናብቲ ክፍሊ ሕርሲ ወሲድናያ፡\" ትብል ኣሌክሲ። \"ዝተወሰነ ስእሊ ምስ ወሰዱ ዓንኬል ምዃኑ ነጊሮሙና፤ ኣነ ግን ኣይኣመንኩን\" ክትብል ነቲ ውጽኢት ትገልጽ። ንኣዋርሕ መርመራ ምስ ተገብረላ፡ \"ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓባይ ዓባይቶኣ ዝነበረ ዓንቃሪቦን ላዕለዋይ ክፋል ኣዕጽምታን ከም ዝጠፍአን ዓባይ ዓባይቶኣ ከም ዝተጣበቐን\" ገሊጻ። ኣብ መወዳእታ ናይ ገዛእ ርእሳ መጽናዕቲ ድሕሪ ምክያድ፡ ጓላ ፋይብሮዲስፕላዝያ ኦሲፊካንስ ፕሮግረሲቫ (FOP) ዝበሃል ሕማም ከም ዝሓመመት ተረዲኣ። እዚ ንጭዋዳታት ናብ ኣዕጽምቲ ዝቕይር ሕማም እዩ። ኣብ ሰነ 2021 መርመራ ጂን ምስ ተገብረ፡ ጓሎም ሌክሲ ናይ ሓቂ ሕማም ፋይብሮዲስፕላዝያ ኦሲፊካንስ ፕሮግረሲቫ ከም ዘለዋ ተረጋጊጹ። ሚስስ ሮቢንስ ነቲ ውጽኢት ክትቅበሎ ከቢድዋ። \"ብቐጻሊ ምስ ነብሰይ ይበኣስ ነይረ። ክቕበሎ ኣይከኣልኩን\" ትብል። ኣሌክስ ብዛዕባ'ዚ ዅነታት እዚ፡ \"ኣብ መላእ ዓለም ደረት ዘለዎ ምርምር\" ከም ዘሎን ኣብ ብሪጣንያ ምርምር ዝገብር እንኮ ትካል ኣብ ኦክስፎርድ ከም ዝርከብ ትፈልጥ። ንሳ፡ መንግስቲ ብዛዕባ እዚ ዅነታት ምርምር ከምዝገብር'ኳ እንተ ተመባጽዐ፡ ክሳብ ሕጂ ዝተቐየረ ነገር ከምዘየለ ትገልጽ። ሚኒስተር ጥዕና ማሪያ ኮልፊልድ ክሳብ 2027 (ኣ.ኣ.) 22 ቢልዮን ፓውንድ ሳሕቲ ንዝረኣዩ ፍሉያት ሕማማት ከምዝተወፈየ ገሊጻ። \"እቲ 'ፈተውቲ FOP' ግብረሰናይ ትካል፡ ነቲ ቤተ ምርምር ንምዕቃብን ነቲ ሕማም ፈውሲ ንምርካብን ኣብ ዓመት ኣስታት 200,000 ፓውንድ ምእካብ ከምዘድልዮ ተነጊሩኒ። \"ውሉድካ FOP ኣለዎ ጥራይ ዘይኰነስ ፈውሲ ንምርካብ ገንዘብ ከተዋህልል ኣለካ - ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ፡ ዋላ ሓንቲ ነገር የለን፡\" ትብል ኣሌክስ። ብዛዕባ እቲ ዅነታት ግንዛበ ንምፍጣር ኣብ ውሽጢ ዓመት 170,000 ፓውንድ ዝኣከበት እታ ስድራቤት፡ ኣብቶም ሳሕቲ ዘጋጥሙ ሕማማት መጽናዕቲ ንኽካየድ ድማ ጥርዓን ኣቕሪባ’ላ። ክሳብ ሕጂ ግን ካብ መንግስቲ ዝተገብረ ገንዘባዊ ሓገዝ የለን። ንወለዲ ሌክሲ ግን እታ ቐንዲ ኣገዳሲ ነገር ድሕነትን ጥዕናን ጓሎም እዩ። ስድራ ቤት ሌክሲ፡ ገዛኦም ሸይጦም ተሪር ኵርናዓት ዘይብሉን ልስሉስ\/ምቹእ ኣቝሑ ዘለዎን ገዛ ከስርሑ ይጽዕሩ ኣለዉ። ኣሌክስ፡ እዚ \"ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ትሕቲ ክንክንና፡ ንጽፈትን ስፍሓትን ህይወታ ንምሕጋዝ\" ከምዝኾነ ትገልጽ። \"ንናይ ምሕዋይ ተስፋ ክንቃለስ ኣለና። እዚ ኣዝዩ ከቢድ'ኳ እንተ ዀነ፡ ንደቅኻ ግን ዘይትገብሮ ነገር የለን\" ኢላ። ንመንግስቲ ብዝምልከት \"መዓስ ኢኹም ሓላፍነት ክትወስዱ?\" ክትብል ትሓትት። \"ነቲ ገንዘብ ኣኪብና፡ ክታም ኣዋህሊልና እውን ዋላ ሓንቲ ኣይተገብረን። ፈውሲ ንምርካብ ዝሰርሕ ጕጅለ ምርምርን FOP ዝሓመሙ ትኣሊ ውፍይቲ ነርስን ክትምደብ ድልየት ኣለና። \"ሕጂ ስጕምቲ ክውሰድ ኢና ንደሊ። እቲ ፈሰስ ኣብ ዝድንጕየሉ፡ ከም ሌክሲ ዝኣመሰሉ ሰባት እናተጐድኡ እዮም ዝኸዱ።\" ሚኒስተር ጥዕና ማሪያ ኮልፊልድ፡ \"ከም FOP ምስ ዝኣመሰሉ ሳሕቲ ዘጋጥሙ ሕማማት ዝነብሩ ሰባት፡ ከቢድ ብድሆ ከም ዘምጽኣሎም እፈልጥ እየ። ከም ሌክሲን ስድራቤታን ዝኣመሰሉ ወፈራ ዘካይዱ ሰባት፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ኵነታት ኣቓልቦ ክረክብ ስለዝገበሩ ከመስግኖም እደሊ፡\" ኢላ። \"ብዛዕባ ሳሕቲ ዘጋጥም ሕማማት ዘለና ግንዛበ፡ ብቐጻሊ ከነመሓይሽ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለዝዀነ እዩ፡ ክሳብ 2027 ኣብ ምርምር ዝውዕል ሓፈሻዊ ወጻኢታት ናብ 22 ቢልዮን ፓውንድ ከነዛይዶ መዲብና ኣለና።\" ኣስዒባ፡ ብሃገራዊ ትካል ምርምር ጥዕናን ክንክንን ኣቢልካ ምርምር ንምግባር ዘድሊ ገንዘብ ከም ዝርከብ ሓቢራ። ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ነቲ ሳሕቲ ዘጋጥም ሕማማት ንምልላይን ንምርዳእን ዝሕግዝ መራኸቢ ምሁራትን ክኢላታት ክሊኒክን ዝዀነ ሃገራዊ ትካል ምርምር ጥዕናን ክንክንን 'ባዮሪሶርስ' 40 ሚልዮን ፓውንድ መዊሉ እዩ።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cxr610z7wyno"} {"headline":"ኣብ ትግራይ፡ ህፃናት ዘጥቅዑ ሕማማት ምብዝሖም ተገሊጹ","content":"ብምኽንያት ኲናት ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ክታበት ምሃብ ዳርጋ ዝተቛረጸ ኾይኑ፣ ዝተፈላለዩ ዓይነት ሕማማት ኣብ ህፃናት እናበዝሑ ይመፁ ከምዘለዉ ተገሊጹ። ሰበስልጣን ጥዕና እቲ ክልል፡ ቁጽሪ ናይቶም ክታበት ዝወስዱ ህጻናት ብምንካዩ፡ ከም ንፍዮ፡ ፖልዮን ቴታነስን ዝኣመሰሉ ሕማማት ህጻናት ከም ዝወሰኹ ይገልጹ። ካብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዝተረኸበ መረዳእታ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ’ቲ ክልል ብዝሒ ስሩዕ ክታበት ዝወስዱ ህፃናት፡ ናብ ትሕቲ 10 ሚኢታዊ ከምዝወረደ የመልክት። እቲ  ቤት ጽሕፈት፡ ናብቲ ብደረጃ ዓለም ክታበት ዘቕርብ 'GAVI' ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓለምለኸ ምትሕብባር ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ፤ \"ክታበት ዕሸላትን ህጻናት ሓዊሱ፡ ህይወት ዘድሕኑ መድሃኒታትን ናውቲ ሕክምናን ብዘይምህላዎም\" ንዝተፈላለዩ ሕማማት ከምዝተቓልዑ ገሊጹ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብቲ ክልል ለበዳታት ሕማም ንፍዮ፣ ረስኒ፣ መኒንጅይትስ፣ ፖልዮ ዝኣመሰሉን ከምዘጋጠሙ እቲ ቢሮ ጥዕና ኣብቲ ደብዳበ ሓቢሩ። እቲ ቢሮ ከምዝገለፆ፡ ምኽንያቱ ድማ፡ ብሰንኪ ኣብቲ ክልል ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ቀረብ ክታበት ምንካይ፣ ብሰንኪ ሕፅረት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክታበት ኣብ ፍሪጅ ምቕማጥ ዘይምኽኣል፣ ኣብ ገጠራት ዝርከቡ ነበርቲ ናብ ማእከላት ሕክምና ክመፁ ብዘይምኽኣሎምን ዘስዐቦ እዩ። ኣብቲ ዞባ ካብ ዘለዋ 35 ወረዳታት፤ ኣብ 10 ለበዳ ሕማም ንፍዮ ከምዝተራእየ እቲ ቢሮ ሓቢሩ። ቁፅሪ ቴታነስ ኣብ ዕሸላት፡ ኣብ 2018 ባዶ ዝነበረ ዀይኑ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን 25 ሚኢታዊት ከምዝበፅሐ ድማ ኣፍሊጡ። ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ  ካልኣይ ዓመቱ ዘቑጽር ዘሎ ኲናት  ትግራይ ስዒቡ፡ ዝበዝሑ  ትካላት ጥዕና ከምዝዓነዉን ኣገልግሎት ክህቡ ኣብ ዘይኽእሉሉ ብርኪ ምዃኖምን፡ ቅድሚ ኢሎም ዝወፁ ፀብፃባት ይሕብሩ። ኣብ ቀረባ እዋን ደጊሙ ዝተወለዐ እቲ ኲናት፡ ነቲ ፀገም ኣወሃህባ ግልጋሎት ጥዕና፡ ከየጋድዶ ስክፍታታት ፈጢሩ ኣሎ። ብሰንኪ ዋሕዲ መድሃኒትን ናውቲ ሕክምናን፡ እቲ ዝዓበየ ሆስፒታል ዓይደር-መቐለ፡ ኣገልግሎት ኣብ ዘይህበሉ ብርኪ በጺሑ ከምዝነበረ ሰብ ሞያ ሕክምና ጠቒስና ጸብጻባት ምስራሕና ዝዝከር እዩ። ብዚ ምኽንያት፡ ህጻናት ዝርከብዎም ተሓከምቲ ይሞቱ ከምዘለዉ ጸብጻባት ሓቢሮም ነይሮም።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crgxp2l6r1go"} {"headline":"‘ደቈም ከድሕኑ ዝጐየዩ ኣቦታት፡ ሬሳ ደቈም ጸይሮም ተመሊሶም’","content":"ሞት ውላድ እቲ ዝመረረ ሓዘን ዘስዕብ ተጓንፎ እዩ። ኣብ ፍልስጤም፡ ብፍላይ ግጭት ምስ እስራኤል ኣብ ዝለዓለሉ ህሞት፡ ውላድካ ምቕባር ንቡርን ልሙድን ካብ ዝኸውን ጸኒሑ እዩ። እዚ ዛንታ'ዚ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሳሙናት ኣብ መንጐ እስራኤልን ዕጡቕ ጕጅለ እስላማዊ ጅሃድ ፍልስጤምን ብዝተላዕለ ግጭት ዘጓነፈ ነገራት ዝትርኽ እዩ። ሃላ፡ ደቃ ሒዛ ናብ ገምገም ባሕሪ ምስ ከደት ሓደጋ ክመጽእ እዩ ዝብል ግምት ኣይነበራን። እታ ጓል ትሽዓተ ዓመት ጓላ ላያን፡ ኣብቲ ሑጻ ክትጻወትን ብማዕበል ክትዝሕልን ደልያ ነይራ። እታ ስድራቤት፡ ‘ቱክ-ቱክ’ [ሞተር ሳይክል] ገይራ፡ ነቲ ብዕጡቕ ጕጅለ እስላማዊ ጅሃድ ፍልስጤም (PIJ) ዝመሓደር ወተሃደራዊ መዓስከር ሓሊፉ፡ ብፍጥነት’ያ ኣብቲ ቦታ በጺሓ። ኣብታ ህሞት እቲኣ ድማ ልክዕ ዒላማ ተዅሲ እስራኤል ኰይና። ላያን፡ ብፍንጫል ስኩጆታት ቦምባ ክሳዳ ተወጊኣ፡ ደም እናፈሰሰት ኣብ መሬት ዛዕ ኢላ ወደቐት። ኣብ ሓደ ሆስፒታል እስራኤል ንሓደ ሰሙን’ኳ እንተተሓከመት ህይወታ ግን ከድሕን ኣይከኣለን። \"ተስፋ ቈሪጸ ኣለኹ\" ትብል ኣደኣ - ሃላ። \"ኣደ ስውእቲ ስለ ዝዀንኩ ግን ክጸንዕ ኣለኒ፣ እቲ ውግእ ንዓይን ንስድራይን ኣዝዩ ተንኪፉና እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ቓዛ ምንባር ከም ዝጸልኦ ገይሩኒ።\" እታ ኣደ፡ ንሓንቲ ንእሽቶ ጽብቕቲ መጻወቲ ባምቡላ ሒዛ ነበረት። እታ ባምቡላ፡ ጓላ ፍሉይ ፍልስጤማዊ ምርኢት ሳዕስዒት ብምቕራባ ዝተበርከተትላ ህያብ እያ ዝነበረት። 'ሞት ላያን ለውጢ ዘምጽእ ዶ ይመስለኪ?' ንዝብል ሕቶ ክትምልስ እንከላ፡ \"ኣይመስለንን፣ ምኽንያቱ ቅድሚኣ ብዙሓት ህጻውንቲ ተቐዚፎም’ዮም - ለውጢ የለን\" ትብል። \"ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ነቶም ፈጸምቲ ወይ ወሰንቲ ኣካላት ጽልዋ ገይሩሎም ኣይፈልጥን’ዩ፤ ንቡር ኰይኑ እዩ።” እቲ ኵነታት እናዓረገ ኣብ ዝኸደሉ፡ ሞት ኣብ ቓዛ ኣበየ ዙርያኡ እዩ። ሚኒስትሪ ጥዕና ፍልስጤም፡ 35 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይገልጽ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ያየር ላፒድ፡ ሓይልታቱ ሰላማውያን ሰባት ንምክልኻል ፍሉይ ጥንቃቐታት ከምዝገበሩ እዩ ዝገልጽ። ንሱ፡ \"እስራኤል ድሕነት ዜጋታታ ንምርግጋጽ ሓይሊ ምጥቃማ ይቕረታ ​​ኣይትሓተሉን'ያ፣ እንተዀነ ሞት ንጹሃን ሰላማውያን ብፍላይ ከኣ ህጻናት ግን ልቢ ዝሰብር'ዩ፡” ኢሉ። ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ \"ብሞት [ላያን] ከምኡ'ውን ብሞት ካልኦት ሲቪላትን ጓሂ ከም ዝተሰምዖ\" ገሊጹ። ሬሳ እታን ህጻን ላያን፡ ካብ መስጊድ ክሳብ መካነ መቓብር ዝበጽሕ ብዙሕ ህዝቢ እዩ ዓጂብዎ። ድምጺ ተኵሲ እናሰምዑ ባንዴራታት እናወዛወዙ ይጐዩ። ሬሳኣ ናብ መሬት ክወርድ እንከሎ ድማ፡ ሰባት ነቲ መቓብር ከቢቦም፡ ነቲ ሑጻን ሓመድን ብኢዶም ጸሪጐም ኣዕሪፎምዎ። መዓስከር ስደተኛታት ጃባሊያ እውን፡ ተመሳሳሊ ንኣሽቱ መቓብራት ኣለዎ። ኣብቲ መካነ መቓብር ፍንጀራ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ ሓሙሽተ ኣወዳት ይጻወቱ ነይሮም። እስራኤል፡ እቲ ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ዝወንጨፎ ሮኬት ፈሺሉ ኣብኡ ከም ዝወደቐ እያ ትገልጽ። እቶም ዕጡቓት ግን ንእስራኤል ይወቕሱ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ ነቲ ዘስካሕክሕ ፍጻመ የርኢ። እቲ ቪድዮ፡ ነቲ ህይወት ዘይነበሮ ሬሳታት እቶም ኣወዳት፡ 'ክድሕኑ ይኽእሉ ይዀኑ እዮም' ብዝብል ተስፋ ናብ ሆስፒታል ክውሰዱ እንከለው እዩ ዘርኢ። ሓደ ካብኣቶም መሓመድ ዝተባህለ ወዲ 17 ዓመት እዩ። ፖሊስ ክኸውን ባህጊ ከም ዝነበሮ እያ ኣደኡ ትገልጽ። \"ኣብቲ ቦታ፡ ቈልዑ ጥራይ እዮም ዝጻወቱ ነይሮም። ሃንደበት ኢና ተፈንጃሪ ሰሚዕና። ኣቦታት ተጓይዮም ናብቲ ቦታ ከይዶም፣ ግን ሬሳ ዝሞቱ ደቈም ጥራይ እዮም ጸይሮም ተመሊሶም፡\" ትብል። \"ደቅና ሞትን ምፍንጃር ቦምባን ለሚዶምዎ’ዮም። ደቅና፡ ካብቶም ኣብ ካልእ ዓለም ዘለዉ፡ ጽቡቕ ህይወት ዝመርሑ፡ ኣብ መናፈሻታት ዝውዕሉን መቓብር ርእዮም ዘይፈልጡን ዝተፈልዩ እዮም።\" ድሕሪ’ቲ ኣብቲ መቓብር ዘጋጠመ ፍንጀራ፡ ኣብ ውሽጢ ዝተወሰነ ሰዓታት፡ ሓደ ቪድዮ ኣብ ቲክቶክ ብቕጽበት ክዝርጋሕ ጀሚሩ። ኸሊል ኣልካሕሎት፡ ደቁ ከናዲ እዩ ትኽ ኢሉ ናብኡ ጐይዩ። ኣብቲ ከባቢ ሬሳታት ክእከብ ምስ ረኣየ ግን ቀዚዙ፣ ኣፍልቡ እናዘበጠ ጨዲሩ። ኣብ ጐድኑ ዝነበረ ዓርኩ፡ ክቐድሕ\/ክስእል ጀሚሩ። ኸሊል ግን ተቘጢዑ፡ \"እዚ ዅሉ እስላማዊ ጅሃድ ንምሕጓስ ድዩ?\" ይብል። \"ባሰም ሰዓዲ - ላዕለዋይ መራሒ ወተሃደራዊ ክንፊ ‘ቲ ጕጅለ - ንኽፍታሕ ድዩ። እዚ ግን ብዋጋ ደም ንኣሽቱ ደቅና'ዩ ዝመጽእ ዘሎ፡\" ይብል። ባሰም ሳዓዲ - ቅድሚ መዓልታት ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ብወተሃደራት እስራኤል ዝተኣስረ፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መራሕነት እስላማዊ ጅሃድ ፍልስጤም እዩ። ጠንቂ ናይቲ ዳሕረዋይ ግጭት ከኣ ምእሳር ናቱ እዩ። እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ኸሊል፡ ብኣሽሓት ‘ላይክ’ ክረክብ ክኢሉ። ኣብ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ጕጅለታት ዝግበር ነቐፌታ ዳርጋ የለን። ኸሊል፡ \"እቲ ቪድዮ ብቐጥታን መትኒ ዝትንክፍን ስለዝነበረ ሰባት ፈትዮምዎ እዮም፣ ሰባት ኲናት ኣይደልዩን፡ ሞት ኣይደልዩን፡ ቈልዑ ክቕተሉ’ውን ኣይደልዩን እዮም፡\" ይብል። \"ኣነ እቲ ግዜን እቲ ምጕህሃር ነቲ ግጭትን ቅኑዕ ኣይነበረን፣ ኣድላይነት ኣይነበሮን እየ ኢለ። ኵሉ’ቲ ኣብ ጐደናታት ዝረኸበኒ ሰብ ከኣ እቲ ኣብ ልቡ ዘሎ ግን ክዛረበሉ ዘይከኣለ ከም ዝተዛረብኩ እዩ ዝነግረኒ።” እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ መጥቃዕታ ዝጀመረትሉ ዓርቢ ኣጋምሸት እዩ ነይሩ። እስራኤል፡ ካብ ፍልስጤማውያን ዕጡቓት ንሰላማውያን እስራኤላውያን ዒላማ ዝገበረ ሓድሽ መጥቃዕቲ ይሕሰብ ከም ዝነበረ ኣቐዲሙ ሓበሬታ ከም ዝበጽሓ እዩ ዝገልጽ። ክልተ ካብ መራሕቲ እቲ ጕጅለ ብሓይልታት እስራኤል ተቐቲሎም። ኣብ ዝሰዓበ ቀዳመ-ሰንበት ከኣ ኣስታት 1000 ሮኬታት ፍልስጤማውያን ናብ እስራኤል ተተኲሶም። ሓያሎ እስራኤላውያን ከኣ ቀሊል መጕዳእቲ ወሪድዎም። ጽልዋ ነፍሲ ወከፍ ግጭት ግን ክንዮ ሞትን መጕዳእትን ዝኸይድ እዩ። ሰሚር ክፋል ገዛኡ ብደብዳብ ዓንዩ እዩ። ጓል ሰለስተ ዓመት ጓል ወዱ ‘ቱታ’ ኣብቲ ፍርስራስ ቀንጠመንጢን መጻወቲኣን ክትለቅም ትርአ። ንሱ፡ መጥቃዕቲ ክመጽእ ምዃኑን ጐረባብቱ ኣኪቡ ካብቲ ቦታ ክእለን ብሰራዊት እስራኤል ተነጊርዎ ከም ዝነበረ ይገልጽ። ብእግሮም ናብቲ ገማግም ባሕሪ ብምኻድ ነብሶም ከድሕኑ ክኢሎም። እንተዀነ ምስ ተመልሱ፡ ገዛ እንዳ ሰሚር ሰፊሕ ክፋሉ ዑና ኰይኑ ተደፊኡ ጸኒሑዎም። ሰሚር፡ \"ብስነ-ኣእምሮኣዊ መዳይ ተሃሲና ኢና፣ ሰላም ኢና ንደሊ፡ ውግእ ኣይንደልን\" ይብል። ሰሚር ድሕሪ ሕጂ ገዛኡ ብኸመይ ከም ዝሃንጾ ጨኒቝዎ እዩ ዘሎ። እዚ ከምዚ ዓይነት ጭንቂ ግን ኣብ መላእ ቓዛ ዳርጋ ንቡር እዩ። መሳርሒታት ህንጻ ክትረኽቦ ኣጸጋሚ እዩ። ዝዀነ ንብረት፡ ተጠውዩ ኣብ መዓላ መጥቃዕቲ ኣንጻር እስራኤል ከየገልግል ስለዘስግእ፡ ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ነገራት ጥብቂ ቍጽጽር እዩ ዝግበረሉ። ጕጅለ ሓማስ፡ ኣብ ፍልስጤም ድሕሪ ዝተኻየደ ውሽጣዊ ደማዊ ቍርቝስ ነታ ንእሽቶ ግዝኣት ቓዛ፡ ካብ ሰብ መዚ  ፍልስጤም ኣብ 2007 ተቘጻጺርዋ፤ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ ድሕሪ ምዕዋቱ ድማ፡ ቓዛ ብእስራኤልን ግብጽን እገዳ መሬትን ባሕርን ተገይሩላ። እቲ ዝነተብረ ዕጽዋ፡ ቍጠባዊ ድስካለ’ኳ ፈጢሩ እንተዀነ፡ እስራኤል ግን ንጸጥታዊ ውሕስነታ ኣገዳሲ ምዃኑ እያ ትኣምን። እቲኸኣ ነቲ ብሰንኪ ግጭት ዝስዕብ ነገራዊ ዕንወት ዘይሓዊ ይገብሮ። ዝዓነዉ ፍርስራስ ከምኡ ኢሎም ተጸፍጺፎም ይነብሩ፣ ገለ ህንጻታት ከኣ ተጸሪጎም ከም ዘይነብሩ ባዶን ዀይኖም እቲ ቦታ ሃህ ኢሉ ይተርፍ፣ ዕድላት ዳግመ ህንጸት ዳርጋ ዘይሕሰብ እዩ። ብሰንኪ’ዚ እዮም ድማ ደቂ ቓዛ ዝዀነ ሓድሽ ምዕባለ ኣብ ዝመጽኣሉ ኣብ ከቢድ ቅዛነት ዝኣትዉ። ሓማስ፡ ንወሽመጥ ጋዛ እዩ ዘመሓድር። እቲ ጕጅለ ብኣሜሪካ፡ ብሪጣንያን ካልኦትን “ግብረሽበራዊ”ተባሂሉ ዝተፈርደ እዩ። ዕላማኡ፡ ብዅሉ ዝከኣል ኣገባባት ተጠቒምካ - ዕጥቃዊ ቃልሲ ከይተረፈ - ጐበጣ እስራኤል ከም ዘብቅዕ ምግባር ምዃኑ ይገልጽ። ሓማስ፡ ዓቢይ መኽዘን ኣጽዋር ዘለዎ ኰይኑ፡ ብቐንዱ ንኸተማታት እስራኤል ንምጥቃዕ ዝቐንዐ እዩ። ሓማስ፡ ኣብዚ ናይ ሕጂ ግጭት ኢዱ ከም ዘይሓወሰ እዩ ዝግለጽ። እንተዀነ እስራኤልን ሓያለ ተዓዘብትን ብዘይፍታዉ ዝዀነ ዝፍጸም ነገር ከም ዘየለ እዮም ዝኣምኑ። ኵሎም እቶም ካብ ቓዛ ዝተወንጨፉ ሮኬታት፡ በቲ ብዙሕ ርቀት ዘለዎ መሳርሒታት ዘይውንን ንእሽቶ ፍልስጤማዊ ጕጅለ ዝተተኰሱ እዮም። ሓያሎ ካብኣቶም ዘይቅኑዕ ኣታዅሳ ዝነበሮም፡ ተመሊሶም ኣብ ርእሲ ማሕበረሰባት ፍልስጤማውያን ብምውዳቕ ሞትን መጕዳእትን ኣስዒቦም እዮም። ሓማስ ካብቲ ግጭት ወጻኢ ምዃኑ፡ እቲ ኵነታት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ብስምምዕ ክግታእን ሓጊዙ እዩ። ምናልባት ሓማስ እንተዝጽንበር ነይሩ፡ እቲ ጽልዋ ኣዝዩ ዝዓበየ ምዀነ፤ ምናልባት’ውን ሓድሽ ኲናት ክቕስቀስ ተኽእሎ ምሃለዎ። \"ካብዚ ዙርያ ግጥም ገለ ትምህርቲ ክንወስድ ኣለና ኢለ እሓስብ\" ይብል ኣፈኛ ሓማስ ቓዚ ሓማድ። \"ምስ እስላማዊ ጅሃድ ጽቡቕ ምትሕብባር ኣለና፣ ምስኦም ድማ ዓሚቝ ዘተ ጌርና ኢና። ከም ፍልስጤማውያን ውድባት ብሓባር ክንሰርሕ ኣለና ኢለ እየ ዝሓስብ። በዚ መገዲ ድማ ጌጋታት ከነውሕድን  እቲ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ዘጋጥም ጕድኣት ከነጕድልን ንኽእል ኢና፡” ኢሉ። ንሱ፡ ብዛዕባ እቲ ብሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ ​​ከምኡ’ውን እስራኤል ከም ግብረመልሲ ርእሰ ምክልኻል ብዘይኣፈላላይ ብኣልማማ እተካይዶ ደብዳብ’ውን ይዛረብ። \"ንሕና ኣንጻር ዝዀነ ውልቀሰብ ኣይኰናን ንቃለስ፣ ቃልስና ኣንጻር ጐበጣ እስራኤል ጥራይ እዩ። እስራኤል ንስቪላታ ክትከላኸል ዓቕሚ ክህልዋ ይኽእል'ዩ።” ይብል ኣተሓሒዙ፡ “ንሳቶም ግን ብኣንጻሩ ንሓደ ተቓላሳይ ክቐትሉ እንተደልዮም፡ ንዅሎ ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ሰባት እዮም ዝቐትሉ፡\" ይብል። ድሕሪ እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ደው ምባል ተዅሲ፡ ቀዳማይ ሚስተር ላፒድ \"ንነበርቲ ወሽመጥ ቓዛ ብቐጥታ ክዛረብን ካልእ መንገዲ ከም ዘሎን ክንነግሮም ንደሊ\" ክብል ተሰሚዑ። ወሲኹ፡ \"ካብ ዝዀነ ዘስግኣና ሓይሊ ብኸመይ ነብስና ከም እንከላኸል ንፈልጥ ኢና፣ እዚ ጥራይ ዘይኰነ ግን ነቶም ብሰላም ኣብ ጐድንና ክነብሩ ዝደልዩ ሰባት’ውን ስራሕ፡ መነባብሮን ክብሪ ዘለዎ ህይወትን ብኸመይ ከም እንፈጥረሎም እውን ንፈልጥ ኢና፡\" ኢሉ። ቓዛ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለምና ዝወሓደ ህዝቢ ዝነብረን ግዝኣታት እያ። መብዛሕትኦም ደቂ ቓዛ ናብራ ህውከትን ግጭትን ጥራይ እዮም ዝፈልጡ - ካልእ ህይወት የብሎምን። ሕብሪታት ሕልምታቶም’ውን ደብዚዙ እዩ። በሳን ዓብዱሰላም ብምህንድስና ክትምረቕ ቀሪባ እያ። ከም ብዙሓት መዛኑኣ፡ ብመጻኢኣ ተስተንትን። \"እዚ እንተዝውዳእ ህይወትና ከመይ ምዀነ ኢልካ ምሕሳብ ከቢድ'ዩ። ሰባት ኣቦ ወይ ኣደ፡ ወይ ሓው ሓፍቲ ብምኽሳር፡ ወትሩ ካብ ምንባዕ ዘዕርፉሉ ግዜ እንተዝመጽእ፡ ምሉእ ህይወትና ምተቐየረ፡\" ትብል። \"ስለምንታይ ከምቲ ካብ ቓዛ ወጻኢ ዝነብሩ ሰባት ዝገብርዎ ክንገብር ዘይንኽእል? ዩትዩብ ንርኢ’ሞ፡ ብዙሓት ሕጕሳትን ጽቡቕ ነገራት ክገብሩን ንርኢ። ንሕና ኸኣ እቲ እገዳ ክለዓል ከም ዓለምና ክንነብረሉ እንኽእል እዋን ክመጽእ ብተስፋ ንጽበ።\"","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw0jl85y4e0o"} {"headline":"ምቑላፍ መልሓስ ህጻናት ማዕረ ክንደይ ሓደገኛ እዩ?","content":"ምቑላፍ መልሓስን ኣብ ህጻናት ዘለዎ ሳዕቤንን ኣመልኪቱ ግንዛበ ንምዕባይ ዝግበር ምንቅስቓስ እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ፡፡ ዝስዕብ ትሕዝቶ ከመይ ከምእነስተብህሎን ከምእነስተኻኽሎን ዝምልከት እዩ፡፡ ኡርና ፓርማር ኣብ 2011 ዝተወለደ ወዳ ጃናቭ ክተጥቡ ተሃንጥያ እያ ዝነበረት፡፡ ኮይኑ ግና ክጠቧ እንከሎ ኣጥቧታ ኣዝዩ ከሕምማ ጀሚሩ፡፡ ጫፉ ክሓብጥ፣ ክንድርን ክደምን እውን ግዘ ኣይወሰደሉን፡፡ ‘‘ዕረፍቲ ዘይህብ ቃንዛ ኮይኑ ረኺበዮ’’ እትብል ፓርማር፡ እቲ መሰረታዊ ነገር ንወዳ ክትገብረሉ ዘይምኽኣለሰ ከቢድ ጥፍኣት ከምዝፈጸመት ክስመዓ ከምዝገበረ ትዛረብ፡፡ ኣብ ከባቢኣ እትረኽቦም ሰባት ድማ ዓብዪ ጸገም ከምዘይኮነን ቦኳራት ምስ ምጥባው ዝተሓሓዝ ጸገም ከጋጥመን ንቡር ምዃኑን ይነግርዋ ነይሮም፡፡ ንወዳ ዝከታተል ሓኪም ዕሹግ ጸባ ክተጥቡዎ እኳ መኺርዋ እንተነበረ ንሳ ግን ቃንዛኣ ተጻዊራ ክንዲ ዝኸኣለቶ ምጥባው ቀጺላ፡፡ ምስ ግዜ ግን ዝኾነ ጸገም ከምዘሎ ፓርማር ተገንዚባ፡፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምግቢ ንምምጋብ ግዘ ሰለዝወስደሉ ምስ ካልኦት ቆልዑት ኣይጻወትን፡፡ ጃናቭ ንምምጋብ ክሳብ ክልተ ሰዓት ይወስደሉ ነይሩ፡፡ ኣብ መጀመርታ ኣመጋግብኡ ድኹም ስለዝኾነ ይመስላ ከምዝነበረ እትገልጽ ፓርማር ‘‘ኣካይድኡ እውን ቀስ ዝበለን ዘይረገአን እዩ ነይሩ፡፡ ኣብ ብሽክለታ እውን ሚዛኑ ኣይሕልውን ነይሩ’’ ብምባል ትዝክር፡፡ ቶሎ ቶሎ ክበልዕ ክተደፋፍኦ እንተፈቲና እውን ዝገደደ ጭንቀት ይፈጥረሉ፡፡ ጸኒሑ ድማ ብኣገባብ ክሕይኽን ክውሕጥን ብዘይ ምኽኣሉ ኣሕምልቲ ክምገብ ተገዲዱ፡፡ ኣብ 2019 ጃናቭ ሸሞንተ ዓመት ምስገበረ ግና እቲ ምስጢር ተፈሊጡ፡፡ እቲ ዝነበሮ ከቢድ ናይ መልሓስ ምቑላፍ (ኣንኪሎግሎስያ ወይ ታንግ-ታይ) ብሕክምና ተፈሊጡ፡፡ እዚ መልሓስ ብግቡእ ከይንቀሳቐስ ዝቑልፍ መበቆላዊ (ጀነቲክ) ጸገም ኣብዚ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ቀልቢ ሰብ ሞያን ስድራቤታን ይረክብ ኣሎ፡፡ ምስ ምቑላፍ መልሓስ ኣብ ዝውለዱ ህጻናት፡ ታሕተዋይ ክፍሊ መልሓስ ምስ ኣፍ ዘራኽብ ቀጢን ጭዋዳ ብዘይተለመደ ኣገባብ ተሪር እዩ፡፡ እዚ ድማ መልሓስ ኣብ ክንዲ ኣብ ትሕናግ ዝዓርፍ ናብ ታሕተዋይ ክፋል ኣፍና ይጠብቕ፤ እዚ ህጻናት ብኣገባቡ ከይምገቡ ይዓግቶም፡፡ እቲ መበቆላዊ ከምዝኾነ ዝግለጽ ጸገም፡ ንነዊሕ ዓመታት ዝፍለጥኳ እንተኾነ ንምሕካሙ ግን ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ኣብ 2020 ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ ኣብ ኣመሪካ ትሕቲ ሓደ ዓመት ካብ ዝርከቡ ህጻናት እቶም 8 ሚኢታዊት በዚ ጸገም ይሳቐዩ፡፡ ኣብ ገለ ሃገራት ምቑላፍ መልሓስ ብ 10 ዕጽፊ ወሲኹ ኣብ ቀረባ ዓመታት ግንዛበ ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣብ ምቑላፍ መልሓስ ኣዝዩ እናዓበየ ከምዝመጸ ዝሕብሩ ሰብሞያ፡ ኣብ ገለ ሃገራት ቁጽሪ ሕክምና ዝገብሩ ብ 10 ዕጽፊ ወሲኹ ይብሉ፡፡ ኣብ ኣመሪካ እውን ምርመራን መጥባሕትን ምቑላፍ መልሓስ ኣዝዩ ወሲኹ እዩ፡፡ ኮይኑ ግና ካልኦት ከይፈለጥዎ ከም ፓርማር ዝሳቐዩ ስድራቤታት ኣለዉ፡፡ ኣብ ከም ህንዲ ዝበላ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ንጥዕና ህጻናት ሓደገኛ ኣብ ዝኾኑ ሕማማትን ረኽስታትን ስለዝተኩሩ ምቑላፍ መልሓስ ከይተፈለጠ ንነዊሕ እዋን ክጸንሕ ይኽእል እዩ፡፡ ቅድሚ ዓመታት፡ ኬት ካናቫን ንኡሽቶ ጓላ ኣና ኣዘራርባኣ ንጹር ዘይምዃኑ ኣስተብሂላ፡፡ ኣና ኣብቲ እዋን ጓል 2 ዓመት ዝነበረት ኮይና ናይ ምጥባው ጸገም እውን ኣይነበራን፤ ሓኪም እውን ዘጨንቕ ከምዘይብሉ ነጊርዋ ነይሩ፡፡ ኣርባዕተ ዓመት ምስኮና ግና ሓደ ሓኪም ጸገም ከምዘለዋን ናብ ናይ ዘረባ ሓኪም ክትከይድን ኣዚዝዋ፡፡ እቲ ናይ ዘረባ ሓኪም ድማ ኣና ናይ ከንፈርን መልሓስን ናይ ምቑላፍ ጸገም ከምዘለዋን ብኣገባብ ከይትዛረብ ከምዝገበራን ብምግላጽ ንሳቶም እንድሕር ዘይተፈቲሖም እቲ ናይ ምዝራብ ሕክምና (ስፒች ቴራፒ) ውጽኢታዊ ከምዘይኸውን ከምዝሓበራን ትዛረብ፡፡ ቀንዲ ምልክታት ምቑላፍ መልሓስ ፈላማይ ምልክት ምቑላፍ መልሓስ፡ ከምቲ ንፓርማርን ወዳን ዘጋጠመ ኣብ ምጣባው ዘጋጥም ጸገምን ቃንዛን እዩ፡፡ \"ምቑራን መልሓስ ዘለዎም ህጻናት መልሓሶም ካብ ከንፈሮም ሓሊፋ ክዝርጋሕ ኣይኽእልን፡፡ እዚ ንምጥቧው ዘድልዩ ከም ጡብ ብኣፍ ምሓዝ፣ ምምጣጥን ምውሓጥን ዝበሉ መሰረታዊ ተግባራት ብኣገባቡ ከይፍጽሙ ይገብር’’ ትብል ዶ\/ር ጁ-ሊ ኦይ፡፡ እቲ ህጻን ነቲ ዝተቖለፈ መልሓሱ ስሒቡ ክጠቡ እንትፍትን ድማ ነታ ኣዶ ኣዝዩ ከቐንዝዋ ይኽእል፡፡ ኣብ ከም ጓላ ንካናቫን ዝበሉ ድማ እቲ ጸገም ደንጉዩ ይረኣይ፡፡ ምቑላፍ መልሓስ ዘለዎም ብዙሓት ህጻናት ምልክታት ከምዘይረኣዩ ሰብ ሞያ ይገልጹ፡፡ ዝተቐየደ መልሓስ ምልላይ እውን ቀሊል ዘይክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ብሰብ ሞያን ምርመራን ጥራሕ ክፍለጥ ዝኽእል ዓይነት ምቑላፍ መልሓስ ኣሎ፡፡ እዚ ጸገም ዘለዎም ህጻናት መሳርሕታት ትንፋስ ክጻወቱ፣ ከንፈሮም ወይ ኣይስ ክሬም ክልሕሱን ስኖም ብመልሓሶም ክጸርጉን ክጽገሙ ይኽእሉ፡፡ ዘይተስተኻኸለ ኣቀማምጣን በዋሕዲ ምንቅስቓስ ዝደኸመ መልሓስን እውን ክንዮ ኣፍ ዝኾነ ጸገም ክስዕብ ይኽእል፡፡ ምቑላፍ መልሓስ ዘለዎም ህጻናት ኣፎም ከፊቶም ስለዝድቅሱን ዝሕርንኹን ሰላማዊ ድቃስ ከምዘይህልዎም ንወዲ ፓርመር ዝሓከመት ኣንኪታ ሻህ ትገልጽ፡፡ ቀልጢፍካ ምዕራይ ይከኣልዶ? ቅልል ዝበለ ጸገም ምቑላፍ መልሓስ ባዕሉ ክስተኻኸል ከምዝኽእል በዓል ሞያ መጥባሕቲ ሳዤና ይገልጽ፡፡ ህጸውንቲ ንምጥባው መልሓሶም ኣብ ዘንሳቕሱሉ እቲ መልሓስን ኣፍን ዘራኽብ ጭዋዳ ክዝርጋሕ ይኽእል፡፡ ኣብ ኣገባብ ምጥቧው ግቡእ ምኽሪ ምርካብ፣ ኣብ ትሕቲ መልሓስ ዘሎ ኣካል (ፍረኑለም) ምድራዝን መልሓስ ብምንቅስቓስን ብቐሊል ክሕክሙ ከምዝኽሉ እቲ በዓል ሞያ ይዛረብ፡፡ እዚ ክሰርሕ እንተዘይክኢሉን ምጥቧው ዘጸገም እንተኾይኑን ግና መጥባሕቲ ከምዘድልይ ገሊጹ፡፡ ኮይኑ ግና ከም ናይ ምጥቧው፣ ምምጋብ፣ ምትንፋስ፣ ምድቃስን ምዝራብን ዝኣመሰሉ ጸገማት ካልእ መበገሲ ክህልዎም ይኽእል እዩ፡፡ ኣብ ሮያል ሆስፒታል ኣወስትራልያ በዓልቲ ሞያ ዝኾነት ጁ-ሊ ኦይ ብወገና ዋላ ቀሊል መጥባሕቲ ቃንዛን ካልኦት ሳዕቤናትን ክህልዎ ስለዝኽእል መጀመርታ በዓል ሞያ ምጥቧው ክርእዮ ከምዘለዎ ትሕብር፡፡ መጥባሕቲ ናይ መወዳእታ ፈውሲ ከምዘይኮነ ዝገልጹ ሰብሞያ፡ ስድራቤታት እዚ ጸገም ዘለዎም ህጻናት ከም ‘ዮጋ’ ዝመስል ዝተፈለየ ምንቅስቓስ መልሓስ ክገብሩ ክሕግዝዎም ከምዝግባእ ይሕብሩ፡፡ እቲ እንሓልፎ ዝነበርና ጸገም ሽምዘለዎ ምዃኑ ምስፈለጥኩ ዕረፍቲ ረኺበ- ፑርና ፓርመር እናዓበየ ዝመጸ ግንዛበን ግቡእ ምርመራን ናይ ብዙሓት ህይወት ዝቕይር እዩ፡፡ ጓላ ንኬት ካናቫን ዝኾነት ኣና፡ ድሕሪ 15 ደቒቓ ዝወሰደ መጥባሕቲ ብዘይ ዝኾነ ጸረ ቃንዛ፡ ብቐሊሉ ምብላዕን ምስታይን ጀሚራ፡፡ ብጽባሓይቱ እውን ናብ መውዐሊ ህጻናት ከይዳ፡፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ናይ ኣዘራርባ ክእለታ ብዘደንቕ ኩነታት ተመሓይሹ፡፡ ወዳ ንዓመታት ብምቑላፍ መልሓስ ዝተሳቐየ ፑርና ፓርመር እውን እቲ ጸገም ዝፍለጥን ዝተለመደን ከምዝኾነ ዶክተር ምስ ነገራ ንብዓታ ምቁጽጻር ስኢና፡፡ ‘‘እቲ እንሓልፎ ዝነበርና ጸገም ሽምዘለዎ ምዃኑ ምስፈለጥኩ ዕረፍቲ ረኺበ’’ ትብል፡፡ መጥባሕቲ ከምዘድልዮ ንቤተሰባ ከተእምን ክልተ ዓመት ከምዝወሰሰላ እትገልጽ ፓርመር ክንድኡ ዝኣክል ምድካማ ዝግበኦ እዩ ትብል፡፡ ጃናቭ ድሕሪ ዝተገበረሉ መጥባሕቲ ለውጢ ከምዝረኸበ እውን ትዛረብ፡፡ ሎሚ ጃናቭ ዝተፈላለየ ምግቢታት ምምጋብ ዘሕጉሶ ኮይኑ ምግቡ ኣብ 20 ደቒቓ ምውዳእ ይኽእል እዩ፡፡ ብሽክለታ እውን ብግቡእ የሽከርክር፡፡","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61175070"} {"headline":"መኪና ኣደኡ ኣተሲኡ ዝዘወረ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ሆላንዳዊ ህጻን ኣዘራራቢ ኮይኑ","content":"ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ሆላንዳዊ ህጻን ናይ ኣዲኡ መኪና ኣተሲኡ ድሕሪ ምዝዋሩ መጻኢኡ ተወዳዳሪ ቅድድም መካይን 'ፎርሙላ ዋን' ክኸውን ከም ዝኽእል ይዝረበሉ ኣሎ። ብመሰረት ሓበሬታ ፖሊስ ከተማ ኡትሪኽት እቲ ብጃማ ለቢሱ ዝነበረን ህጻን ብቐዳም'ዩ ንኽልተ ተጸጊዐን ዝነበራ መካይን ድሕሪ ምህራም ጥራይ እግሩ ኣብ ጽርግያ ክኸይድ ተራእዩ። እቲ ቈልዓ በቲ ቀዝሒ ንበይኑ ኣብ ጽርጊያ ከኸይድ ብምርኣዮም ዝተሻቐሉ ሰባት ናብ ፖሊስ ብምድዋል ሓበሬታ ሂቦም። ፖሊስ ብኢንስታግራም ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ በቲ ፍጻመ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝበጽሐ ጉድኣት ከም ዘየለ ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ ቈልዓ፡ ብቐዳም ኣቡኡ ናብ ስራሕ ምስ ከደ ናይ ኣዲኡ ናይ መኪና መፍትሕ ብምሓዝ \"ተዛዊረ ክመጽእ\" ብምባል ከም ዝነቐለ ሓቢሩ። ፖሊስ ሓበሬታ በጺሕዎ ናብቲ ከባቢ ምስ ተንቀሳቐሰ፡ ንኽልተ ተጸጊዐን ዝነበራ መካይን ዝሃረመት ሓንቲ መኪና ኣብ ማእከል ጽርጊያ እዩ ረኺቡ። እታ መኪና ብስም ኣደ እቲ ህጻን ዝተመዝገበት ምዃና ዘረጋገጹ ኣባላት ፖሊስ፡ ናብ ኣዲኡ ቴለፎን ደዊሎም። ነታ ቴለፎን ነቲ ቈልዓ ምስ ኣቐበልዎ መኪና ከም ዝዝውር ዘሎ ዘስምዕ ድምጽን ምንቅስቓስ ናይ ኣእዳውን ይገብር ምንባሩ እቶም ኣባላት ፖሊስ ገሊጾም። \"ሽዑ መራሒ እታ መኪና፡ እቲ ቆልዓ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሚትና\" ይብል እቲ ካብ ፖሊስ ዝተረኽበ ሓበሬታ። እቲ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ቈልዓ ናብ መደበር ፖሊስ ምስ ተወሰደ ኣዲኡ ክሳዕ እትመጾ ውዑይ ዝስተ ነገርን መጻወቲ ባምቡላን ከም ዝተዋሃቦ ፖሊስ ገሊጹ። ብድሕሪኡ ናብቲ ቦታ ሓደጋ ብሓባር ብምኻድ፡ እታ መኪና ከመይ ከም እትሰርሕ ከርእዮም ሓቲቶምዎ። እቲ ኣዲኡ \"ኣስተውዓሊ\" ምዃኑ እትዛረበሉ ቆልዓ፡ ንማዕጾ እታ መኪና ብመፍትሕ ከፊቱ ኣብ መወልዒ ናይ ሞተር ድሕሪ ምግባር ኣእጋሩ ኣብ ፍሪስዮነን ፍሬኖን ከም ዘቐመጠ ፖሊስ ሓቢሩ። ወለዲ መፍትሕ ናይ መኪና ደቆም ኣብ ዘይረኽብዎ ስፍራ ከቐምጡ'ውን መኺሩ።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/61296292"} {"headline":"መጥቃዕቲ ቴክሳስ፡ ኣብ ጽባሕ መጥቃዕቲ ክትዕ ዝለዓሎ ዘሎ መሰል ዋንነት መሳርሒታት ኲናት ኣመሪካ","content":"እቲ ትማሊ ኣብ ሓደ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝተፈጸመ፡ 19 ህጻናትን 2 ዓበይትን ዝተቐተሉሉ መጥቃዕቲ ነቲ ኣብ መሳርሒ ኲናት ቁጽጽር ሕጊ ይውጻእ ኣይውጻእ ዝብል ክርክር መሊሱ ኣበራቢሩዎ ኣሎ። እንተኾነ እዚ ክትዕ ዝረብሕ ለውጢ ዘምጽእ ኣይመስልን። እቲ ክርክር ፖለቲካውን ባህላውን ፍልልያት ዝማዕበልሉ ብምዃኑ እውን ዝረብሕ ለውጢ ክርከቦ ኣጸጋሚ እዩ። ኣብ መብዛሕቲኡ ክፋል ኣመሪካ ኣጽዋር ኲናት ምውናን ልሙድ ነገር እዩ። ከም ካልኦት ሃገራት ፍሉይ ነገር ወይ ዘፍርሕ ነገር ተገይሩ ኣይውሰድን - ኣካል መዓልታዊ ህይወት እዩ። ኣስታት 80 ሚልዮን ዝኾኑ ኣመሪካውያን ወነንቲ መሳርሒታት ኲናት ፡ ነጻነቶምን ንብረቶምን ዝሕልዉሉ መከላኸሊ ከም ዝኾነ እዮም ዝኣምኑ። ኣብ መገድን መንበሪ ኣባይትን ከይተረፈ ዕጥቂ ሒዞም ዝዘምቱ ጓሓሉ ኣብ ዘለዉዋ ሃገር ፡ ኣጽዋር ኲናት ምሓዝ ኣድላዪ ከም ዝኾነ እዮም ብዙሓት ሰባት ዝኣምኑ። ኣመሪካ ኣጽዋር ኲናት ብብዝሒ ዝርከበላ ሃገር ብምዃና፡ እዞም መሳርሒታት ኣብ ኢድ ገበነኛታት ከይኣትዉ ምግባር ዝከኣል ኣይኮነን። በዚ ድማ እቲ ገበነኛ ዘይኮነ ሰብ እውን ኣጽዋር ኲናት ክሕዝ ኣለዎ ዝብል ክትዕ'ዩ ዝለዓል። ሕጊ ኣመሪካ መሳርሒ ኵናት ናይ ምውናን መሰል ይፈቅድ እዩ። ኮይኑ ግና እቲ ቅድሚ 250 ዓመት ንዝነበረ ህዝባዊ ዓመጽ ምኽንያት ብምግባር ዝወጽአ ሕጊ ንምንታይ ክሳብ ሐዚ ተቐባልነት ረኺቡ ቀጺሉ ዝብል ግልጺ ኣይኮነን። ነጻነትን ንዓርስኻ ናይ ምክልኻል መሰልን ኣመሪካውያን ንዓዶምን ንኽብሮምን ዝርእዩሉ ቀንዲ መነጽር እዩ። ካብቶም ንዋንነት ኣጽዋር ዝድግፉ፡ 'ናሽናል ራይፍል ኣሶስየሽን' ዝተባህለ ሃብታም ማሕበር ሓደ እዩ። እንተኾነ ብዙሓት ዜጋታት እውን ይድግፍዎ እዮም። ንብዙሓት ኣጽዋር ናይ ምውናን መሰል ልክዕ ከም ናይ ምዝራብ ነጻነት ስለ ዝቑጸር፡ ምኽልካል ዋንነት መሳርሒ ኲናት ናይ ሓደ ኣመሪካዊ መሰል ከም ምጥሓስ ድም እዩ ዝረኣይ። ኮይኑ ግና ኣብ ጽባሕ ከምቲ ኣብ ቴክሳስ ዝተፈጸመ ዓይነት ዘሰምብድ መጥቃዕቲ ናብ ክትዕ ይመጽእ። ኣብ 2012 ሓደ ዕጡቕ ሳንዲ ሁክ ኣብ ዝተባህለ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ጠኒኑ ብምእታው 20 ህጻናትን 26 ዓበይትን ቀቲሉ። ሽዑ እውን ከምቲ ናይ ሕዚ እቲ ኣብ ዋንነት ኣጽዋር ሕጊ ክወጽእ ዝጽውዕ ምንቅስቓስ ዓብዪ ደገፍ ረኺቡ ነይሩ። ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኣብ ዘበነ ስልጣኑ ኣብ ውሱናት ዓይነታት ኣጽዋር ኲናት ቁጽጽር ንምግባር ዘኽእል ሕጊ ከጽድቕ ቃል ኣትዩ ነይሩ። ገሊኦም ስጉምቲታት ብገለ ኣባላት ሪፐብሊካን'ኳ ተቐባልነት ረኺቦም እንተነበሩ ካብ ኮንግረስ ሓሊፎም ክወጽኡ ኣይከኣሉን። ስድራ ግዳያት ቤት ትምህርቲ ሳንዲ ሁክ ነቲ ኤኣር-15 ዝተባህለ ጠበንጃ ዘፍርይ ትካል ኣብ 2012 ዝኸሰስዎ ኮይኖም፡ ነቶም 9 ስድራ ግዳያት 73 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍሎም ሎምዘበን ተሰማሚዖ ኣለው። እንተኾነ ኣብዚ እዋን ብዙሓት ኣመሪካውያን በቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ብመሳርሒታት ኲናት ዝፍጸም መጥቃዕቲታት የማርሩ ኣለው። ኣብ 2020 ልዕሊ 4300 ትሕቲ 18 ዓመት ዕድሚኦም ኣመሪካውያን ምስ ኣጽዋር ኲናት ብዝተሓሓዝ ሞይቶም እዮም። ብተወሳኺ ብመሳርሒታት ኲናት ብዝተበጽሖም መጥቃዕቲ 50 ፖሊስ እውን ሞይቶም። እንተኾነ ከምቲ ኣብ 1996 ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እታ ሃገር ዝኾነ ዓይነት ናይ ውልቀ ሽጉጥ ዝኸልከለቶ፡ ኣብ ኣመሪካ ክፍጸም ኣይትጸበዩ ይበሃል ኣሎ። ኣብ ዝቕጽሉ መዓልቲታት ብዛዕባ እንታይ ዓይነት ሽጉጥ ንመን ይሸየጠሉ እምበር እቲ መሰል ይከልከል'ዶ ኣይከልከል ዝብል ክትዕ ኣይሕሰብን።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61589060"} {"headline":"ንብዙሓት ዘንበዐ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣብ ለይታዊ ትልሂት ዝሞቱ ዕሸላት መናእሰይ","content":"ስነ ስርዓት ቀብሪ ናይቶም ብዘይተፈለጠ ኩነታት ኣብ ሓደ ለይታዊ ትልሂት ደቡብ ኣፍሪቃ ሞይቶም ዝተረኸቡ ዕሸል መናእሰይ ብኸቢድ ሓዘንን ጓህን ተሰንዩ ተፈጺሙ። ፕረዚደንት እታ ሃገር ሲሪል ራማፎዛ ሓዊሉ ሓያሎ ሰባት ኣብ ዝተረኸቡሉ፡ 19 ጥርሖም ናይ ሬሳ ሳንዱቓት ኣብ ቅድሚ ሓዘንተኛታት ክቕመጡ ተገይሩ። እቶም ኣፍላ መንእሰያት ቅድሚ ዓሰርተ መዓልቲ፡ ምውዳእ ፈተና ፍርቂ ዓመት ምኽንያት ብሓባር ኣብ ሓደ እንዳ ለይታዊ ትልሂት ይዘናግዑ ነይሮም። ካብቶም ግዳያት ብዕደመ ዝነኣሰት፡ ጓል 13 ዓመት ህጻን ነይራ። ምኽንያት ሞት እቶም መንእሰያት ዛጊድ ኣይተገለጸን፤ እንተኾነ መርመርቲ ግና ገለ ነገር ኣጫንዮም ወይ በሊዖም ከምዝኾኑ ገሊጾም። እቲ ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ሓዝንን ድንጋጸን፡ ኣብታ ትሕቲ ዕድመ መናእሰይ ብበዝሒ ኣልኮላዊ መስተ ዝሰትዩላን ብምዝንጋዕ እትፍለጥን ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ዝፍቀደሉ ዕድመ ካብ 18 ናብ 21 ክብ ክብል ዝግበር  ጻውዒት ክሕይል ገይሩ ኣሎ። ፎቶ ናይቶም ግዳያት ዝተለጠፈሎም ናይ ሬሳ ሳናዱቕ፡ ኣብ ሓደ ዓቢ ዳስ ከተማ ኢስት ለንደን ሓዘንተኛታት ክርእይዎም ተገይሩ። ካብቶም ግዳያት እቶም ክልተ ተቐቢሮም እዮም። ሓንቲ ጸሊም ዝተኸደነት ኣዶ፡ ርእሳ ሒዛ “ወደይ በቃ ከይዱ” እናበለት እንትትበኪ ትስማዕ። ፎቶ ናይቶም ግዳያት ዝተሓተመሎም ቲሸርትታትን ናይ ቤት ትምህርቲ ደንቢ ክዳንን ዝለበሱ ተምሃሮ እውን ተኻፈልቲ እቲ ስነ ስርዓተ ቀብሪ ነይሮም። ኣመሓዳሪ ግዝኣት ኢስተርን ኬፕ፡ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ብሞት እቶም ኣፍላ መናእሰይ ከምዝሓዘኑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ስድራ እቶም ግዳያት ድማ ህይወት ታሪኽ ናይቶም ግዳያት በቢተራ ኣንቢቦም። “ብሞትካ ተደናጊርና፤ ኣብ ብሩህ መጻኢኻ፡ ቤተሰብካ ካብ ድኽነት ክተውጽኦም፡ ተስፋ ጌርና ኔርና።  ንስኻ ግን ተሸሪብካ” ካብ ሓደ ቤተሰብ ናይቶም ግዳያት ዝተሰምዐ እዩ። ቤተሰብ ካልእ  መዋቲ ድማ ንፕረዚደንት ራማፎዛ እናረኣየ “ክቡር ፕረዚደንት፡ ደኺሙና እዩ ዘሎ፤ እቲ ጸሊም ማሕበረሰብ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ይጠፍእ እዩ ዘሎ” ኢሉ። ምኽንያት ሞት እቶም ሰገናት ዘይምግላጹ ድማ ኣብ ስድራቤታት ቁጠዐን ተስፋ ምቑራጽን ፈጢሩ እዩ። መርመርቲ ኣብቲ እቶም ግዳኣት ዝሞቱሉ ‘ኢንዮበኒ ታቨርን’ ዝተባህለ እንዳ ለይታዊ ትልሂት፡ ንኣርባዕተ መዓልቲ ምርመራ ኣካይዶም። እንተኾነ ዛጊድ ምስቲ ሓደጋ ብዝተኣሳሰር ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ሰብ የለን። እቲ እንዳ ለይታዊ ትልሂት ብጊዝያውነት ዝተዓጸወ ኮይኑ፡ ፍቓድ መሸጢ ኣልኮል እቶም ወነንቲ ድማ ተሰሪዙ። ሚኒስተር ፖሊስ እታ ሃገር ብወገኑ፡ ግቡእ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ነቶም ሓዘንተኛታት ኣረጋጊጹ።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw0d24xjg08o"} {"headline":"ሰኔጋል፡ ኣብ ሆስፒታል ዝተላዕለ ባርዕ ሓዊ 11 ሓደሽቲ ዝተወለዱ ዕሸላት ቀቲሉ","content":"ትማሊ፡ ኣብ ሰኔጋላዊት ከተማ ቲቫዎኔ ኣብ ዝርከብ ሓደ ሆስፒታል ዝተልዓለ ባርዕ ሓዊ፡ 11 ሓደሽቲ ዝተወለዱ ዕሸላት ከም ዝቐተለ ፕረዚደንት እታ ሃገር ገሊጹ። ማኪ ሳል ኣብ ትዊተሩ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ባርዕ ኣብ ክፍሊ መዋልዳን ሆስፒታል ማሜ ዓብዱ ዓዚዝ ዳባክ እዩ ኣጋጢሙ። እቲ ፕረዚደንት ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ንሚኒስተር ጥዕና'ታ ሃገር ዓብዱላየ ዲዩፍ ሳር ካብ ስልጣኑ ኣባሪርዎ። ሚኒስተር ዓብዱላየ ሳር፡ እቲ ኣብ ከተማ ቲቫውነ ዘጋጠመ ዘሕዝን ክስተት ስዒቡ፡ ብዋና ዳይረክተር እቲ ሚኒስትሪ ኰይና ዝጸንሐት ማሪ ከሚሰ ንጐም ንድየ ተተኪኡ'ሎ። እቲ ኣብ ሆስፒታል ቲቫውነ ዝርከብ ክፍሊ ዕሸላት ብሰንኪ ጸገማት ኤሌክትሪክ ምዃኑ ዝተገልጸ ሓደጋ ባርዕ'ዩ ተቓጺሉ። ፕረዚደንት መኪ ሳል፡ ንሰለስተ መዓልቲ ሃገራዊ ሓዘን ኣዊጁ፣ ጠንቂ'ቲ ሓደጋ ኸኣ ክምርመር ኣዚዙ'ሎ። ብዘይካ'ዚ እቲ ፕረዚደንት፡ ዝመጽእ ሰንበት ናብ ቲቫውነ ብምብጻሕ ምስ ቤተሰብ እቶም ዕሸላት ክራኸብን ከጸናንዖምን ትጽቢት ይግበር። ኣገልግሎት ጥዕና ሰኔጋል፡ ብጸገማት ሰራሕተኛታት፡ ትሕተ-ቕርጺ፡ መሳርሕታትን ፋይናንስን ዝተሃሰየ ጽላት ምዃኑ ብዙሓት ተዓዘብቲ ይዛረቡ። እታ ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝሓሸ ሆስፒታላት ከም ዘለዋ ዝንገረላ ሃገር፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብዚ እዋን ብተኸታታሊ ዝረአ ዘሎ ሞት ኣዴታትን ዕሸላትን ስክፍታታት ፈጢሩ ከም ዘሎ ይንገር። እቲ ካብ መዝነቱ ተባሪሩ ዘሎ ሚኒስተር ጥዕና፡ ኣብ እዋን ሓደጋ ኣብ ጀኔቭ ስዊዘርላንድ ንኣኼባ ገይሹ ምንባሩ ዝተፈልጠ ኰይኑ፡ ነቲ ኣኼባ ኣወንዚፋ ከም ዝምለስን ጠንቂ'ቲ ሓደጋ ምጽራይ ይግበረሉ ምህላውን ገሊጹ ነይሩ። ሰኔጋላውያን በቲ ዘሕዝን ክስተት ዝተሰመዖም ቊጠዐ ብመገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክገልጹን ኣብ ጉዳይ ስርዓተ ጥዕና እታ ሃገር ቅሬታኦም ከስምዑ ቀንዮም እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ውን፡ ሊንጉረ ኣብ ዝተባህለት ኣብ ሰሜናዊት ከተማ ሰኔጋል ኣብ ዝርከብ ክፍሊ መወልዳን ሓደ ሆስፒታል፡ ተመሳሳሊ ጠንቂ ብዘስዓቦ ባርዕ ሓዊ፡ ኣርባዕተ ዕሸላት ምማቶም ይዝከር።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61589935"} {"headline":"ክድሕን እናተኻእለ ንስንክልና ዘቃልዕ ምጥዋይ እግሪ","content":"ሄለን* ናይ ጥንሲ ግዜኣ ካብቶም ዝቐደሙ ዘሕለፈቶም እዋናት ጥንሲ ዝተፈለየ ኣይነበረን። ስሩዕ ክትትል ሕክምና ጥንሲ ገይራ'ያ። ኣብ ሆስፒታል ክኣ ኣቤል* ኢልና እንጽውዖ ወዳ ብሰላም ተገላጊላ። ድሕሪ ወሊድ'ውን ግቡእ ክትትል ሕክምና ገይራ ናብ ገዛኣ ተመሊሳ። \"ኣብ ሕክምና እየ ወሊደ። ዝዀነ ኣካል ምንም ኣይበለንን” ብምባል ዛንታኣ ትጅምር። ኣብ ገዛኣ ምስ በጽሐት ስድራን ጐረባብትን ብዕልልታ ተቐቢሎማ። ሓድሽ ኣባል ስድራ ስለ ዝመፅአ፡ እቲ ገዛ ብናይ ሓጎስ ሃዋሁ ተመሊኡ። ሓራስ ሄለን፡ ንውላዳ ነብሱ ንምሕጻብ ተዳልያ፣ ኣይጸገማን። ከተጥብዎ እንከላ ግን ብዝግባእ ኣስተውዒላቶ። “እግሩ ርእየዮ። ቅድሚ ሕዚ ከምዚ ዝበለ ነገር ርእየ ኣይፈልጥን” ትብል። “ብዙሕ ነገር ርእየ እየ” ትብል ሄለን እግሪ ወዳ ዝተዓጻጸፈ (ዝተጠወየ) ምዃኑ ግር ኢሉዋ። “ብጣዕሚ እየ ሰንቢደ። ደጋጊመ እግሩ ክዝርግሖ ፈቲነ፤ ለውጢ የለን” ትብል። ዝተዓጽፈ እግሪ ብእንግሊዘኛ፡ ‘ክሌፍት ፉት’ ብዝብል ይፍለጥ። እዚ፡ ጸገም ኣዕጽምቲ፡ ጅማውትን ዝኣመሰሉን ኰይኑ፡ ኣብ ግዜ ወሊድ ዝርአ ጸገም'ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዳይሬክተር ሆፕ ዎክስ ኢንተርናሽናልን በዓል ሞያ ፊዚዮቴራፕን እንዳሻው ኣበራ፡ እዚ ጸገም “ብተፈጥሮ ዝመፅእ ኰይኑ፡ እግሪ ናብ ውሽጥን ናብ ታሕትን ዝዓፅፍን ዝጠውን እዩ” ይብል። ምዕፃፍ (ምጥዋይ) እግሪ ኣብ ህፃናት ዘጋጥመሉ ምኽንያት ግን ኣይፍለጥን። እቲ በዓል ሞያ፡ “ገገሊኡ ምስ ጥንሲ የተሓሕዞ። ካልኦት ድማ እታ ኣደ ኣብ እዋን ጥንሲ እንተወዲቓ ወይ ድማ መግቢ ወይ ከኒና ብዘይምውሳዳ ከጋጥም ይኽእል እዩ ዝብሉ ኣለዉ። እዚ ግን ጌጋ እዩ\" ብምባል መንቀሊኡ ከም ዘይፍለጥ የረድእ። ወሲኹ፡ ‘‘ካብ ዘርኢ ከይበሃል፡ ካብ ውሉድ ወለዶ ኣይመሓላለፍን። ካብ ትነብረሉ ከባቢ ከይበሃል ድማ እዚ ፀገም ኣብ ሓደ ከባቢ ኣብ ብዙሕ ሰብ ኣየጋጥምን’’ ዝብል ኣቶ እንዳሻው፡ ስለዝዀነ እዩ ድማ መበገሲኡ ዘይፍለጥ ኢሉ። ምዕፃፍ (ምጥዋይ) እግሪ ኣብ ሓደኡ እግሪ ጥራይ ከጋጥም ይኽእል። መብዛሕትኡ ግዜ ግን ኣብ ክልቲኡ እግሪ’ዩ ዘጋጥም። ኣቤል ፀጋማይ እግሩ’ዩ ተጠውዩ። ወላዲቱ ሄለን፡ “የማናይ እግሩ ደሓን’ዩ። እቲ ካልኣይ ግን ልክዕ ኣይኮነን” ትብል። እዚ ዝተዓፀፈ እግሪ እቲ ህፃን እናዓበየ ክኸይድ እንከሎ ክስጕም ኣየኽእሎን። በዚ ከኣ፡ ሓደ ሓደ ሰባት እናተፍሓዅ ክኸዱ ይግደዱ። እዚ፡ ምንቅስቓስ ይድርት፣ ደሓር ድማ ነባሪ ዝዀነ ጸገም መነባብሮ የስዕብ። በዚ ምኽንያት፡ ዘይተደለዩ ማሕበራዊ፡ ስነ-ልቦናውን ቁጠባውን ጸገማት ይፍጠሩ። ኣቶ እንዳሻው፡ “እዚኦም፡ እግሮም ብንቡርን ልክዕን መገዲ ምስ ዝዓበየ ህጻናት ክተወዳድሮም እንከለኻ ይፍለ እዩ። ምስጓም ይዅን ምጉያይ ይኸብዶም'ዩ፡” ይብል። ኣብ ሕንጦታት ዘጋጥም ምጥዋይ እግሪ ናይ ኣፈጣጥራ ጸገም ስለ ዝዀነ፡ ዝዀነ ዓይነት ጥንቃቐ ብምግባር ምክልኻል ኣይከኣልን። ይዅን’ምበር እዚ ጸገም ኣብ ግዜ ጥንሲ ምፍላጥ ይከኣል'ዩ። ብፍላይ ኣብ ካልኣይ ርብዒ ዓመት ክትትል ወሊድ ናይቲ ጥንሲ፡ እግሪ ብኣልትራሳውንድ ይርአ’ዩ። ኣብዚ እዋን ነዚ ጸገም ብምፍላይ ወለዲ ብስነ-ልቦና ድሉዋት ኰይኖም ክፀንሑ ይግበር፤ ዝዀነ ዝወሃብ ሕክምና ግን የለን። ምጥዋይ እግሪ ከይፍጠር ምክልኻል'ኳ እንተዘይተኻእለ፡ ቈልዑ ምስ ተወለዱ ብዝወሃብ ሕክምና ግን፡ ፍቱን መፍትሒ ምሃብ ይከኣል። እዚ ጉዳይ፡ ብቕልጡፍ ምስ እትፈልጦ በዓልሞያ ሕክምና ከም ዝተዛረበትሉ እትገልጽ ሄለን፡ “ብጣዕሚ ቀሊል’ዩ፤ ክድሕን ዝኽእል’ዩ ኣይትሰንብዲ ኢሉኒ” ትብል። ናብ ሕክምና ምስ ከደት ዝረኣየቶ ግን ኣይኣመንትን። “ናይ ወደይ ጸገም ጥራሕ ይመስለኒ ነይሩ። ካብ ናተይ ብዝገደደ ዝተጐድኡ ብዙሓት ቈልዑ ርእየ። ኣብ ክልቲኡ እግሮም ዝተጎድኡ 'ውን ርእየ፤ ልዕለይ ዝሓዘኑ ሰባት ርእየ፤ ኣነ ንእኦም ርእየ ተጸናኒዐ፤ ግን ከኣ ሓዚነሎም፡” ብምባል ትዝክር። ሄለን ወዳ ከም ዝድሕን ተነጊርዋ፤ ብተመሳሳሊ መገዲ ዝደሓኑ ህጻናት ምርኣያ ድማ ተስፋ ኣስኒቕዋ። “ፖንሴቲ ሜላ ሕክምና እዩ። ኮንሰርቫቲቭ ዝበሃል ብዘይመጥባሕቲ ዝፍፀም ዓይነት ሕክምና’ዩ። ብመንጽር ወጻኢ ድማ ንዅሉ ተበፃሒ ብዝኾነ መልክዑ ዝቐርብ’ዩ” ይብል ኣቶ እንዳሻው። እዚ ሕክምና ብጀሶን ጫማን ዝካየድ በዓል ክልተ ደረጃ መስተኻኸሊ ድጋፍ እዩ። ፈለማ ነቲ ዝተጠወየ እግሪ ቀጥ ብምባል ብጀሶ ይተሓዝ፤ ካብኡ ድማ ጅማት ናይ ምስትኽኻል ሕክምና ይግበር። እዚ ሕክምና ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሸሞንተ ሰሙን ይወሃብ። እቲ ጀሶ ድማ ሰሙናዊ ይቕየር። ኣብ መወዳእታ ድማ ንእሽተይ ሕክምና ቃንጃ ብምሃብ ይዛዘም። ቀጺሉ ናብ ኣካላዊ ድጋፍ ወይ ናይ ጫማ ሕክምና የምርሕ። እዚ ናይ ጫማ ሕክምና ብጀሶ ዝተስተኻኸለ እግሪ ‘ንምክልኻልን ንምሕላውን’ ዝወሃብ እዩ። ብጀሶ ጥራሕ ዝተወሃበ ሕክምና ዘተኣማምን ኣይኮነን። “እቲ ጸገም ተመሊሱ ክመጽእ ዘለዎ ዕድል ሰፊሕ እዩ” ዝብል ኣቶ እንዳሻው፡ ነዚ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ጫማ ነቲ ዝድሓነ እግሪ ‘ንምሕላውን ንምክልኻልን ይወሃብ” ይብል። ኣቤል’ውን ብኸምዚ መገዲ’ዩ ሕክምናኡ ወዲኡ። “የንፋሑኽ’ዩ ነይሩ፡ ደሓር ወንበር ተደጊፉ ክስጕም ጀሚሩ” ትብል ሄለን። እዚ ሕክምና ብቕልጡፍ ኣብ ውሽጢ ፈላሞት 15 መዓልታት ክጅመር  ከም ዝግባእ ሰብ ሞያ ይምዕዱ። መዓልታት እንተወሲኹ ግን፡ ውጽኢታውነት እቲ ሕክምና’ውን እናነከየ ይኸይድ። መጠን ወሊድ ልዑል ኣብ ዝኾነለን ከባቢታት ምጥዋይ እግሪ ከም ዝዛይድ መጽናዕትታት ይሕብሩ። ብደረጃ ዓለም ዓመታዊ ልዕሊ 2 ሽሕ ቈልዑ እግሮም ተዓፂፉ ይውለዱ። ካብዚኦም እቶም ሰማንያ ሚእታዊት ትሑትን ማእከላይን ኣታዊ ኣብ ዘለወን ሃገራት ዝውለዱ’ዮም። ምኽንያት ናይዚ ቁጠባ ዘይኮነስ፡ ኣብዘን ሃገራት መጠን ወሊድ ልዑል ብምዃኑ’ዩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ካብ ዝውለዱ 800 ቈልዑ፡ ኣብቲ ሓደ እዚ ፀገም ይኽሰት። ኣብ ኢትዮጵያ በብዓመቱ ኣስታት 5 ሽሕ ቈልዑ እግሮም ተጠውዩ ይውለዱ። እዚ ኣሃዝ ካብ ናይጄርያ ቀፂሉ፡ ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ’ዩ። ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ድማ ብብዝሒ እግሮም ዝተጠወዩ ቈልዑ ምውላድ ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ ክልላት እየን። ምጥዋይ እግሪ ኣብ ዘጋጥመሉ ዝበኽዩ፡ ዝስምብዱን ዝሻቐሉን ሰባት ብዙሓት’ዮም። ኣቶ እንዳሻው፡ “እዚ ጸገም እንከጋጥም ‘ኣምላኽ እንታይ ገይረዮ’የ? ተረጊመ ድየ’? ዝብሉ ኣለዉ። ንደቈም ዝሓብኡ’ውን ውሑዳት ኣይኮነን። ምስ እምነት ዘዛምድዎ ሰባት እውን ኣለዉ። ብሰንኪ'ዚ ደቈም ናብ ማእከላት ሕክምና ምውሳድ ይፈርሑ። ‘ናብ ሕክምና እንተመፂአ ሰባት ክሓምዩኒን ከውርዩለይ’ዮም’ ዝብል ስግኣት ኣሎ” ይብል። “ናብ ገዛይ ዝመጽኡ ሰባት ኣብ ወደይ ዘጋጠመ ነገር ክነግሮም ከለኹ ብጣዕሚ’ዮም ዝስምብዱ” እትብል ሄለን፡ “ብፍላይ ጀሶ ምስ ተኣሰረሉ ሰንቢዶም'ዮም ዘሰንብዱኻ። ወይ ክሓቑፍዎ ኢሎም ይርእይዎ እሞ፡ ‘እንታይ ኰይኑ?’ ይብሉ። ምንም እየ ዝብሎም። ሓደ ሓደ ግዜ ከልዕልዎ እንከለዉ ስለ ዝኸብዶም ስፖርት ይሰርሕ ኣሎ እብሎም” ኢላ ። ኣቶ እንዳሻው፡ ጐኒ ጐኒ ሕክምና፡ ነዚ ኣመለኻኽታ እዚ ንምቕራፍ ግንዛበ ንምፍጣር ይሰርሑ ከም ዘለዉ ይገልፅ። ሆፕ ዎክስ ዓለምለኸ ትካል ረድኤት ኮይኑ ብቐንዱ ኣብ ምጥዋይ እግሪ ይሰርሕ። እዚ ኣብ ኣፍሪቃን ኤሽያን ኣድሂቡ ዝሰርሕ ሆፕ ዎክስ፡ ነዚ ጸገም ብቕልጡፍ ብምልላይ ሕክምና ይህብ። እዚ ጸገም ካብ ስድራ፡ ካብቲ ግዳይን ሃገርን ንምውጋድ ድማ ንዝሓለፉ 13 ዓመታት ሰሪሑ’ዩ። እዚ ሕክምና ካብ 2009 ክሳብ 2019 [ኣ.ኣ] ኣብ ሆስፒታል ኪዩር ክወሃብ ዝፀንሐ ኮይኑ፡ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ድማ ፍቓድ ኣውጺኡ ይንቀሳቐስ ኣሎ። ኣብዚ እዋን ምስ 48 መንግስታዊ ትካላት ጥዕና ምስራሕ ዝጀመረ ሆፕ ዎክስ፡ ኣብ ኵለን ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ይንቀሳቐስ። ነተን ትካላት ጥዕና ድማ ብስልጠና፡ ናውቲ ሕክምናን ካልእን ይሕግዝ። “ሓደ ሓደ ሰባት ድሕሪ ፈላማይ ሕክምና ይጠፍኡ። ንሕና ድልዱላት\/ጥዑያት ቈልዑ ክህልው ኢና ንደሊ። ዝመሃሩ፡ ንርእሶም ዝኽእሉን ተረከብቲ ሃገርን ቈልዑ ንምፍጣር ኢና ንሰርሕ” ይብል ኣቶ እንዳሻው። ኣብዚ እዋን፡ እዚ ኣገልግሎት ሕክምና ኣብ 48 ክሊኒካት ብምሃብ ዝርጋሐኡ ናብ 50 ሚእታዊት ዝደየበ ኰይኑ፡ ኣብ 2030 ድማ ምሉእ ብምሉእ ንምጥፋኡ ዓሊሙ ኣሎ። ሄለን፡ ወዳ ኣቤል ደው ኢሉ ክኸይድ’ዩ ዝብል ተስፋ ስለ ዘይነበራ፡ “እቲ ጫማ ንድሕሪት ይጐቶ ስለ ዝነበረ፡ ፈሪሐ ነይረ” ትብል። ሄለን ናብ ሕክምና ቀልጢፋ ብምኻዳ ግን፡ ሕዚ ኣቤል ሕጕስን ጥንኩርን ቈልዓ ኰይኑ ኣሎ፤ ከም ልቡ ይስጕም፡ ከም ልቡ ይጐዪ።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ckm85r236gxo"} {"headline":"ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ብዝፍጸሙ መጥቃዕታት ሽጉጥ ዝህነጹ ዘለው ቈልዑ ኣመሪካ","content":"ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣመሪካ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብሽጉጥ ዝፍጸም መጥቃዕቲታት ኣዝዩ ዘሰከፍ እናዀነ ይመጽእ ኣሎ። ኣብዚ ሰሙን፡ ወዲ 18 ዓመት ሳልቫዶር ራሞስ ኣብ ቴክሳስ ኣብ ዝርከብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ 19 ህጻናትን ክልተ መምሃራንን ተቐቲሎም። መባእታ ቤት ትምህርቲ ሮብ፡ ካብ ሸውዓተ ክሳብ ዓሰርተ ዓመት ዝዀኑ ቈልዑ ዝምሃርሉ ቤት ትምህርቲ'ዩ። እቲ ውልቀሰብ፡ ናይ ኢድ ሽጉጥን ኣውቶማቲክ ሽጉጥን ሒዙ ብግቡእ ዝተዓጥቀ ምንባሩ ይግለጽ። እንተዀነ፡ ኣብቲ ዕለት ኣብ ጥቓ 'ቲ ቤት ትምህርቲ ምስ ዝነበሩ ሓለውቲ ዶብ ፖሊስ ኣብ ዝነበረ ልውውጥ ተዅሲ ተሃሪሙ ሞይቱ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጐነጻዊ መጥቃዕቲታት ግን፡ ኣብ ህይወት ህጻናት ተምሃሮን መምሃራንን ኣመሪካ ዝፈጥርዎ ዘለው ጸቕጢ እንታይ'ዩ? እቶም ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝፍጸሙ ዘለው ቅትለታት፡ ኣብያተ ትምህርቲ ውሑሳት ምእንቲ ክዀና ስጕምታት ክውሰዱ ህዝባዊ ናዕቢ የለዓዕሉ'ለው። ድሕሪ'ቲ ኣብ ቴክሳስ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ሮብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ብርክት ዝበላ ኣብያተ ትምህርቲ እቲ ከባቢ፡ ኣብ ቀጽሪታተን ዝዋፈሩ ኣባላት ፖሊስ ከም ዝወሰኻ ገሊጸን ኣለዋ። ብ1999 ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኮሉምቢን፣ ብ2007 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቨርጂኒያ ቴክ፣ ብ2012 ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ሳንዲ ሁክ፣ ብ2018 ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ፓርክላንድ ተመሳሰልቲ መጥቃዕታት ምስ ተፈጸሙ'ውን፡ ከምዚ ዓይነት ስጕምታት ተወሲዶም ነይሮም። ብሰንኪ እዚኦም፡ 88 ንጹሃን ሰባት ተቐቲሎም'ዮም። ኣመሪካዊ ክኢላ መጥቃዕታት ኣብያተ ትምህርቲ ቼሪ ሌሮ ጆንሰን፡ \"ነፍሲ ወከፍ ፍጻመ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ተመሃሮአን ልክዕ ኣብተን ካልኦት ኣብያተ ትምህርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከይወርዶምን ግዳያት ከይኰኑን ድሕነቶም ክሕሎ ከም ዝገብራ እየን ዝገልጻ\" ይብል። ግዳያትን ኣጥቃዕትን [Victims & Offenders] ዝብል ጽሑፍ ዘዳለወ ጆንሰን፡ ከም ውጽኢቱ ዕጡቓት ዋርድያታትን ሰራሕተኛታትን ከይተረፈ ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ሽጉጥ ሒዞም ክመጽኡ \"ልሙድ\" ኰይኑ'ሎ፡ ኢሉ። ኣብያተ ትምህርቲ ኣመሪካ፡ ከጋጥመን ንዝኽእል ህልቂት ድሉዋት'የን። እዚ ማለት፡ ብተደጋጋሚ ገምጋም ስግኣታት፣ ትልሚ ሓደጋ ህጹጽ እዋን፣ ጕጅለታት ቅልውላው ምህላውን መደባት ግብረመስልን ክህልው ከም ዝገበሩ ጆንሰን የረድእ። ሓደ ካብቶም ኣካታዕቲ ፖሊሲታት፡ ኣብ ልዕሊ 95 ሚእታዊት ኣብያተ ትምህርቲ ተግባራዊ ዝዀነ ፖሊሲ ልምምድ ምትኳስ ሽጕጥ'ዩ። እዞም ንዋዛ ተባሂሎም ዝካየዱ ልምምዳት፡ ገጹ ዝተሸፈነን ስኑዕ ሽጉጥን ዝሓዘ ሰብኣይ፡ ከምኡ'ውን ተራ ግዳያት ዘርእዩ ብናይ ሓሶት ደም ዝጠልቀዩ ተመሃሮ ዝሳተፍሉ'ዩ። እዚ፡ ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ሓደጋ ከስዕብ ከም ዝኽእል ዝገልጹ መጽናዕታት ይወጽኡ ኣለው። ሓንቲ ስድራ፡ \"ጓለይ፡ ኣብቲ ልምምድ ተዅሲ ዝግበረሉ ሰዓት ኣብ ሽቓቕ ተሓቢኣ ነይራ። እዚ ብሰንኪ ዝፈጠረላ ሓያል ጭንቂ ሓደ ዓመት ምሉእ ኣብ ስነ ልቦናዊ ፍወሳ [ቴራፒ] ኣሕሊፋቶ፡\" ኢላ። ወሲኻ፡ \"ናብ ካልእ ሓድሽ ቤት ትምህርቲ ወሲደያ፣ እንተዀነ ሕጂ'ውን እቲ ጭንቀት መሊኡ ስለ ዘይገደፋ ኣብ ቤት ጽሕፈት ነርሳት ዘሎ ሽቓቕ'ያ ትጥቀም፡\" ትብል። በዚ ልምምድ ተዅሲ ብ2019፡ ኣብ ኢንዲያና ዝርከብ ቤት ትምህርቲ፡ መምሃራንን ተምሃሮን ብመልክዕ መርሸንቲ ክቕተሉ ኣብ ዝተገብረ ምርኢት፡ መምሃራንን ተምሃሮን ስነ ልቦናዊ \"ማህሰይቲ\" ከም ዘሕደረሎምን \"ብምስጋኦምን\" ተነቒፉ'ዩ። ኣብቲ እዋን፡ ሰራሕተኛ ሃገራዊ ማእከል ቅልውላው ቤት ትምህርትን ብሞት ምፍላይን ዴቪቭ ስኮንፎልድ፡ \"ቈልዑ ከም ግዳያት ኰይኖም ንኽዋስኡ፡ ናይ ሓሶት ደም ኣጠልቂኻ ኣብ መሬት ክድቅሱ ምግባር፡ ትርጕም ዘይብሉን ዘሰንብድን'ዩ\" ኢሉ ነይሩ። እዚ፡ ንውጻእ መዓት ግሃዳዊ መጥቃዕታት ዝያዳ ሃሰያ ዘውርድ ከም ዝዀነ የረድእ። እዞም ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝፍጸሙ መጥቃዕታት፡ ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ግዳያትን ውጻእ መዓትን በሰላ ስለ ዝገድፉ፡ ብቕዓት ትምህርቲ እቶም መምሃራንን ተምሃሮን ከም ዝጸልዎ መጽናዕታት የመልክቱ። ካብዞም መጥቃዕታት ብህይወት ዝተረፉ ቈልዑ ምስቶም ተመሳሳሊ ክስተት ርእዮም ዘይፈልጡ መዛንኦም ክነጻጸሩ እንከለው፡ ካብ ትምህርቲ ናይ ምብኳር ዝንባለ ከም ዝህልዎም ክኢላታት ዩኒቨርሲቲ ዋሽንግተንን ፔንሲልቫኒያን ብ2021 ዘውጽእዎ መጽናዕቲ ይገልጽ። ብተወሳኺ፡ እቶም ቈልዑ ዩኒቨርሲቲ ኣትዮም ናይ ምምራቕን ቀልጢፍካ ስራሕ ናይ ምርካብን ዕድሎም ትሑት ምዃኑ ይሕብር። እዚ፡ ስድራቤታት ብሰንኪ እቶም መጥቃዕታት ካብ ዝነበርሉ ከባቢ ከም ዝርሕቁ ዝገብር፣ ቁጠባዊ ጽልዋታት'ውን ከም ዘሕድር ክኢላታት ቁጠባ ይዛረቡ። ዩኒቨርሲቲ ስታንፎርድ ዘካየዶ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ እቶም መጥቃዕቲታት ኣብያተ ትምህርቲ ዝፍጸመሎም ከባቢታት ዝነብሩ ሕብረተሰብ፡ ትሕቲ 20 ዓመት መንእሰያት ዝወስድዎም ጸረ-ጭንቀት መድሃኒታት፡ ብ21 ሚእታዊት ወሲኹ። ኣብ ኢንስቲትዩት ስታንፎርድ ተመራማሪት ፖሊሲ ቁጠባ ማያ ሮዚን-ስላተር፡ \"ኣብ እኩባት ሰባት ዝፍጸሙ መጥቃዕታት ብተደጋጋሚ የጋጥሙ ኣለው፤ ንዓና ኸኣ ስምዒት ኣልቦ ይገብሩና ኣለው፡\" ትብል። ወሲኻ፡ \"ኣብ ኣመሪካ ህይወት ስለ ዝቕጽል፡ ምናልባት እቶም ውጻእ መዓት ናብ ንቡር ህይወቶም ክምለሱ ይኽእሉ። ግን፡ እቶም ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝፍጸሙ መጥቃዕታት ብዋጋ ነፍሲ ወከፍ ዝሞተ ወይ ዝቘሰለ ሰብን ስድራቤቱን ክርኣዩ ይግባእ። ሕጂ'ውን ብዙሓት ተምሃሮ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ንዝፍጸሙ መጥቃዕታት ዝተቓልዑ ምዃኖም ኢና ንርኢ ዘለና፡\" ኢላ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ፡ ኣብታ ሃገር 27 መጥቃዕቲታት ኣብያተ ትምህርቲ ተፈጺሞም። እዚኦም ጠንቂ ሞትን መቝሰልትን ኣስታት 67 ሰባት ኰይኖም'ዮም። ካብ 2018 ጀሚሩ፡ 119 መጥቃዕቲታት ኣብያተ ትምህርቲ ክፍጸሙ እንከለው፡ ብሰንኪ'ዚኦም ብውሑድ ሓደ ሰብ ይመውት ነይሩ። እዚኦም፡ ኣብ ህይወት ብዙሓት ጽልዋ የሕድሩ'ኳ እንተሃለው፡ ኣብ ጉዳይ ምቁጽጻር ዋንነት ብረት 'ታ ሃገር ግን ዝተኸፋፈለ ሓሳባት እዩ ዘሎ። ፖለቲከኛታት ሪፐብሊካንን ደገፍቶምን፡ ዋንነት ሽጉጥ ይድግፉ እዮም።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61594520"} {"headline":"ኲናት ዩክሬን፡ 'ዓለመይ ብሚሳይል ሩስያ ዓንዩ'","content":"ዩሪ ጎልደን፡ ገለ ነገራት ክገዝእ ኢሉ ናብ ሹቕ ውጽእ ምስ በለ'ዩ ናይ ምፍንጃር ወረ ሰሚዑ። ኣብ መእተዊ እቲ ዝነብረሉ ህንጻ ኮይኑ ድማ ፖሊስ ናብ ውሽጢ እቲ ብሓዊ ሃልሃል ዝብል ዝነበረ ህንጻ ንክኣቱ ከፍቅድሉ ይልምን ነይሩ። ናብቲ ንሱ ዝነብረሉ ገዛ ምስ በጽሐ፡ ኣስክሬን በዓልቲ ቤቱን ሓማቱን ተዘርጊፉዎ ጸኒሑዎ፤ ላዕለዎት ክፍልታት እቲ ህንጻ ብሚሳይል ሩስያ'ዮም ተሃሪሞም። ኣስክሬን ጓል ሰለስተ ወርሒ ጓሉ ኪራ ግን ጸኒሑ ስለ ዝተረኽበ፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ብሰንበት ናብቲ ገዛ ምስ ተመለሰ እዩ ንመጀመርታ ግዜ ርእዩዎ። እቲ መጥቃዕቲ ሚሳይል፡ ብሰንበት 23 ሚያዚያ 2022 ኣብ ከተማ ኦዴሳ ዝበጽሐ እዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ስድራ ዝበጽሐ ሓደጋ፡ ኣብታ ክልተ ኣዋርሕ ጥራይ ብዘቑጸረ ኲናት ዝደቐቐት ዩክሬን ሓያል ቁጥዐን ጽልእን ፈጢሩ። ፕሬዝደንት ቮሎድሚር ዘሌንስኪ ብዛዕባ ቕትለት ህጻን ኪራ ክዛረብ እንከሎ ኣዝዩ ሓሪቑ ነይሩ። \"እዛ ህጻን ከመይ ኢላ ንሩስያ ስግኣት ትኸውን? ህጻናት ምቕታል ሓድሽ ሃገራዊ ሓሳብ ፌደሬሽን ሩስያ ዝኾነ'ዩ ዝመስል\" ብምባል እቲ መጥቃዕቲ ዝወጠኑን ዝፈጸሙን ኣካላት \"ደቓሉ\" ኢሉዎም። በቲ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ካልኦት ሓሙሽተ ሰባት'ውን ሞይቶም'ዮም። ዩሪ፡ ካብቲ መጥቃዕቲ ዝተረፉ ነገራት እንተረኸብኩ ኢሉ ብሰንበት ናብቲ ዝዓነወ ገዝኡ ክኸይድ እንከሎ፡ ናይ ስእሊ ኣልበማት፣ ብኢድ ዝተጽሓፉ ወረቓቕትን ስብርባር ናይ ጓሉ ካሮሳን ረኺቡ። \"ኣብቲ ገዛ ዝኾኑ ነገራት እንተገዲፈ ጉሓፍ ኮይኑ ሰባት ኣውጺኦም ክድርብዩዎ'ዮም። ግን ኩሉ ንዝኽርን ትዝታታተይን ክእክቦ'የ\" ኢሉ። ንሱን በዓልቲ ቤቱ ቫሌሪያን ንትሸዓተ ዓመታት ብሓባር ጸኒሖም። \"ኣብ ኩሉ ሓጎስ ትደሊ ነይራ፤ ኦዴሳ ትፈትዎ ከተማ ነይሩ። ኣብ ርክባት ህዝቢ ስለ ዝሰርሐት ምስ ብዙሓት ሰባት ክትዘራረብ፣ ክትርድኦም ትኽእል እያ። ንፍዕቲ ጸሓፊት ምንባራ'ውን የድንቖ። ጽብቕቲ ኣደን ኩሉ ዘማልአት መሓዛን ነይራ። ከምኣ ዝበለ ሰብ ምርካብ ንዓይ ኣጸጋሚ'ዩ። ፍጹም ሰብ ነይራ፤ ከምኣ ዝበለ ሰብ ኣብ ህይወትካ ሓደ ግዜ ካብ ፈጣሪ ዝወሃበካ ውህብቶ'ዩ\" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ኪራ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ማለት ቅድሚ ሓደ ወርሒ ምጅማር እቲ ኲናት እያ ተወሊዳ። ድሕሪ ሰሙናት፡ ቫሌሪያ ቈልዓ ብምርካባ \"ኣብ ሓድሽ ደረጃ ሓጎስ እየ ዘለኹ\" ክትብል ኣብ ኢንስተግራም ጽሒፋ። \"ጓልና ሓደ ወርሒ ገይራ ኣላ። ኣዝዩ ብሉጽ 40 ሳምንታት ኣሕሊፍና\" ኢላ ነይራ። ዩሪ፡ በዓልቲ ቤቱ ዝልኣኸትሉ ናይ ኪራ ስእልታት ኣብ ሞባይል ስልኩ ኣርእዩና። \"ምስ ተወለደት ኣዚና ሕጉሳት ነይርና፤ ክትሓርስ እንከላ ኣብ ሆስፒታል ምስኣ ነይረ። ሕጂ በዓልቲ ቤተይን ጓለይን ኣብዚ ክህልዋ ዘይምኽኣለን ክትቕበሎ ከቢድ እዩ። ዓለመይ ብምልእታ ብሚሳይል ሩስያ ዓንያ እያ\" ኢሉ። ዓለም ኣብ ልዕሊ ቤተሰቡ ዝበጽሐ ጉድኣት ክትፈልጦ ይደሊ። \"እቲ ዝኸውን ዘሎ ንስድራይ፣ ንከተማና፣ ንዩክሬን ዓብዪ ሓዘን እዩ። ንመላእ ስልጣነ ሓዘን እዩ። ታሪኽ ቤተሰበይ እቲ ኲናት ጠጠው ኣብ ምባል ክሕግዝ ተስፋ ይገብር\" ይብል። እዚ ቃለ መጠይቕ ወዲእና ክንፍለዮ እንከለና፡ ኣብ ኢድ ዝተረፈ ዳይፐር ኣብ ሓደ ሻንጣ ገይሩ ሂቡና። \"በጃኹም ውሰዱዎ፤ ንገባሪ ሰናይ ሃቡዎ። ሕጂ ኣይደልዮምን'የ\" ኢሉ።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61213358"} {"headline":"መጥቃዕቲ ቴክሳስ፡ በዓል ቤት ናይ ኣብ መጥቃዕቲ ቴክሳስ ዝተቐተለት መምህር \"ብጓሂ ሞይቱ\"","content":"በዓል ቤት ሓንቲ ካብተን ብሰሉስ ኣብ ዩቫልድ ቴክሳስ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተቐተላ መምህራን፡ ብሕማም ልቢ ከም ዝሞተ ተገሊጹ። ጆ ጋርሽያ በዓል ቤት እታ ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ሮብ ን23 ዓመታት ዘገልገለት ኢርማ ጋርሽያ ነይሩ። ኢርማ ኣብቲ ዝተዓጠቐ ወርጠበ 19 ህጻናትን ክልተ ዓበይትን ዝቐተለሉ ዘሕዝን መጥቃዕቲ ህይወታ ስኢና። እቶም ን24 ዓመታት ብሓዳር ዝነበሩ ሰብኣይን ሰበይትን ኣርባዕተ ቆልዑ ገዲፎም። ብሓሙስ ምሸት ንስድራ ቤት እዞም ግዳያት ንምሕጋዝ ኣብ ዝተጀመረ ገንዘብ መተኣኻኸቢ መደብ 1.6 ሚልዮን ዶላር ተኣኪቡ፤ ፈለማ 10 ሽሕ ዶላር ንምእካብ ዝዓለመ እዩ ነይሩ። ነቲ ምትእኽኻብ ሓገዝ እተወሃህድ ዘላ ዘመድ ኢርማ ዝኾነት ደብራ ኦስቲን \"ጆ ብስብራት ልቢ ከም ዝሞተ እየ ብልቢ ዝኣምን\" ክትብል ጽሒፋ። ካልእ ቀረባ ዘመድ ኢርማ ጆን ማርቲነዝ ብተመሳሳሊ ጆ ኣብ ጽባሕ ሞት በዓልቲ ቤቱ \"ብሓዘን ሞይቱ\" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፋ። ምንጪታት ፎክስ ድማ ጆ ጋርሽያ ብሃንደበታዊ ሕማም ልቢ ከም ዝሞተ ገሊጾም። እቶም መጻምዲ ካብ 12 ክሳብ 23 ዕድሚኦም ክልተ ኣወዳትን ክልተ ኣጓላትን ገዲፎም ሞይቶም። ኢርማ በቲ መጥቃዕቲ ክሳብ ህይወታ ዝሓለፈትላ ቅጽበት ህጻናት ሓቚፋ ከም ዝተረኸበት ኣቶ ማርቲኔዝ ንኒው ዮርክ ታይምስ ተዛሪቡ። ኣብቲ ገንዘብ ንምትእኽኻብ ዝተኸፈተ ገጽ ድማ \"ኣብቲ እተምህረሉ ክፍሊ ንዝነበሩ ህጻናት ክትከላኸል ንባዕላ መስዋእቲ ኮይና\"ን \"ጅግና ነይራን\" ክብል ጽሒፉ።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61602698"} {"headline":"ኣብ ወጻኢ ንዝተወለዱ ህጻናት ብቋንቋ ኣደ እተዘናግዕ ቡቡ በለስ","content":"ኣብ ርእሰ ከተማ ዩጋንዳ ካምፓላ ማእኸል ገይራ እትካየድ ቡቡ በለስ ዩቱብ ቻነል ንኣብ ወጻኢ ተወሊዶም ዝዓበዩ ቆልዑት ብትግርኛ ትምህርን ተዘናገግዕን ኣላ።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61078408"} {"headline":"ኣመሪካ ቅድሚ ንዩክረይን ምሕጋዛ፡ ድሕነት ኣብያተ ትምህርቲ ክተውሕስ ኣለዋ - ትራምፕ","content":"ኣመሪካ ንዩክረይን ካብ ምሕጋዝ: ኣብያተ ትምህርቲ ውሑስ ንምግባር ቀዳምነት ክትህብ ከምዝግባእ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ገሊጹ፡፡ ትራምፕ ኣብቲ ብማሕበር ወነንቲ ኣጽዋር ዝተዳለወ ዋዕላ፡ ኣመሪካ ናብ ዩክረይን ቢልዮናት ምልኣኽ እንተዳኣ ክኢላ ‘‘ደቅና ኣብ ዓዶም ድሕነቶም ውሑስ ክኸውን ዘኽእል ዝኾነ ይኹን ስጉምቲ ክንወስድ ክንክእል ኣለና’’ ኢሉ፡፡ ሓደ ኣፍላ መንእሰይ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ 19 ህጻናት ዝርከቡዎም 21 ሰባት ድሕሪ ምማቶም፡ ዝዓበየ ማሕበር ወነንቲ ኣጽዋር ኣመሪካ ‘ናሽናል ራይፍል ኣሶስየሽን’ ኣብ ህዩስተን ጉባኤ የካየድ ኣሎ፡፡ ኣባላት እዚ ማሕበር: ብኣጽዋር ኲናት ዝፍጸሙ መጥቃዕትታት ንምክልኻል ብዙሕ ሰብ ኣጽዋር ክውንን ኣለዎ ኢሎም እዮም ዝኣምኑ፡፡ ኣብቲ መድረኽ ዶናልድ ትራምፕ ‘‘ኣብ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ትሪልዮናት ኣጥፊእና፤ ዝረኸብናዮ ነገር ግን የለን’’ ክብል ዝተዛረበ ኮይኑ፡ እቶም ተሳተፍቲ ብጣቕዒት ኣጸንቢሎምዎ፡፡ ‘‘ቅድሚ ንዓለም ምህናጽና፡ ኣብ ዓድና ንደቅና ዝኸውን ውሑስ ኣብያተ ትምህርቲ ንህነጽ’’ ኢሉ፡፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ባይቶ ኣመሪካ ንዩክረይን ኣስታት 40 ቢልዮን ዶላር ንምሃብ ብኣብዝሓ ድምጺ ምውሳኑ ዝዝከር እዩ፡፡ ሩስያ ንዩክረይን ካብ ዝወረረትሉ ወርሒ ለካቲት ንነጀው ኣመሪካ 54 ቢልዮን ዶላር ናብ ዩክረይን ልኢኻ እያ፡፡ ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ኣብ ዋንነት ኣጽዋር ጥቡቕ ቁጽጽር ክግበር ዝቐርብ ጻውዒት፡ ሰላማውያን ዜጋታት ክበጽሖም ካብ ዝኽእል መጥቃዕቲ ንርእሶም ንምክልኻል መሳርሒ ኩናት ክሕዙ ክፍቀደሎም ይግባእ ብምባል ይቃወም፡፡ ብኣንጻሩ ኣብ መእተዊ ኣብያተ ትምህርቲ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ጥቡቕ ቁጽጽር ክግበርን ብውሑዱ ኣብ ሓድሕድ ቀጽሪ ሓደ ፖሊስ ክቕመጥን ዝብል ሓሳብ እዩ ዘቕርብ፡፡ ትራምፕ ‘‘ ሽጉጥ ንዝሓዘ እከይ ሰብ ደው እተብለሉ እንኮ መገዲ፡ ሽጉጥ ዝሓዘ ሰናይ ሰብ እንትህሉ ጥራሕ እዩ’’ እትብል ልምድቲ ኣዘራርባ እውን ኣብቲ መድረኽ ተጠቒሙላ፡፡ ዓመታዊ ጉባኤኡ ዘካይድ ዘሎ ማሕበር ወነንቲ ኣጽዋር ኲናት ኣመሪካ (ኤንኣርኤ) ሓሙሽተ ሚልዮን ኣባላት ኣለዉዎ፡፡ ቅድሚ እቲ ጉባኤ፡ ነቲ ኣብ መጥቃዕቲ ቴክሳስ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ ጠበንጃ ዘፍርይ ትካል ሓዊሱ ብዙሓት ፍሉጣት ኣመሪካውያን ካብቲ ጉባኤ ንዓርሶም ከምዘግለሉ ገሊጾም ነይሮም፡፡","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61616228"} {"headline":"ርያን፡ ንሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ጸቢብ ዒላ ተቐርቂሩ ዝርከብ ህጻን ንምውጽእ ዝግበር ዘሎ ቅልስ","content":"ኣብ ሞሮኮ ኣብ 32 ሜትሮ ዕምቆት ዘለዎ ኣዝዩ ጸቢብ ዒላ ንሓሙሻት መዓልታት ተቐርቂሩ ዝርከብ ርያን ዝተብሃለ ወዲ 5 ዓመት ህጻን ንምውጻእ ኣብ ዝግበር ዘሎ ርብርብ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ንምውጽኡ ተቓሪቦም ከምዘለዉ ገሊጾም። ርያን ካብ ከተማ ታሞሮት 100 ኪሎሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ቸፍቻውን ትብሃል ዓዲ እናተጻወተ እንከሎ’ዩ ብሰሉስ ከባቢ ሰዓት 2 ድሕሪ ቀትሪ ናብቲ 30 ሴንቲ ሜተር ጥራይ ስፍሓት ዘለዎ ጸቢብ ማይ ዘይብሉ ዒላ ኣትዩ። ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ካሜራ ዝተገጠሞ ገመድ ብምስዳድ ርያን ኣስታት 32 ሜትሮ ዕምቖት ኣብ ዘለዎ ጉድጓድ ተቀርቒሩ ከምዘሎ ብምሕባር ንምድሓኒ ክጓየዩ ጀሚሮም። ኣብ መጀመርታ ወለንተኛታት ብገመድ ተኣሲሮም ናብቲ ጸቡብ ጉድጓድ’ኳ እንተተሰደዱ፡ እቲ ጉድጓድ ኣብ መበል 28 ሜትሪ 25 ሰንቲ ሜተር ጥራይ ግፍሒ ስለዘለዎ እቲ መስርሕ ክዕወት ከምዘይክኣለ ይግለጽ። ከም ኣማራጺ፡ ኣብ ከባቢ እቲ ርያን ተቐርቂርሉ ዘሎ ዒላ ብኣርባዕተ ዶዘራት ገዚፍ ጉድጓድ ብምፍሓር፡ ንታሕቲ 32 ሜትሮ ከምዝበጽሑን ካብ ትማሊ ጀሚሮም ንጋድም ምኵዓት ከምዝጀመሩ እቶም ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ይገልጹ። እንተኾነ እቲ ንጋድም ዝግበር ምፍሓር፡ እቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓመድ ነቶም ሰራሕተኛታት ኣድሕንን ንርያንን ከይጸቅጦም ብሜላን ብዝግታን ይካየድ ከምዘሎ ይግለጽ። ላዕለዋይ ሓላፊ ምድሓን ርያን፡ ዓብደልሰላም ማኮዲ ትማሊ ምሸት ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ቀሪብና ኢና፡ ክሳብ ሕጂ ንሰለስተ መዓልታት ብዘይዕረፍቲ ንሰርሕ ኣለና” ኢሉ። ንርያን ንምድሓን ዝግበር ዘሎ ስርሒት ካብ ሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ ብዘይምቁራጽ’ዩ ዝካየድ ዘሎ። ንርያን ማይን ኦክስጅንን ብትቡ ናብ ውሽጢ እቲ ጸቢብ ጉድጓድ ኣትይዎ ከምዘሎ’ኳ እንተተገለጸ፡ ርያን ብሓሙስ ጽቡቕ ከምዘሎ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ድሕሪ ምዝርግሑ ትማሊዓርቢ ኣብ ከመይ ኩነታት ከምዘሎ ዘርኢ ስእሊ ይኹን ቪድዮ ኣይተርኣየን ዘሎ። እቶም ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኦክስጅን ዘተሓላልፍ ትቦ፡ መግብን ማይን ናብ ርያን ክሰዱ እንከለዉ፡ ኣብ ደገ ኮይኖም ንምውጻእ እቲ ህጻን ዝጽበዩ ሓካይም ኸኣ ህጹጽ ረድኤት ንምሃብ ተዳልዮም ኣለዉ። ንርያን ናብ ዝልዓለ ሕክምና ንምውሳድ’ውን ኣብቲ ቦታ ሄሊኮፕተር ተዳልያ ኣላ። ኣብ መላእ ዓለም ብዙሕ ሰብ ምስ ርያን ዘለዎ ምድንጋጽ የርኢ ኣሎ። ኣልጀርያዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ርያድ መሃረዝ“ርያን በርትዕ” ዝብል መልእኽቲ ኣብ ትዊተር ብምጽሓፍ፡ ወትሩ ኣብ ጸሎት ከምዘሎ ገሊጹ። ኣሽሓት ሳበት #SaveRayan ዝብል ሃሽታግ ብመጥቃም፡ ህጻን ርያን ካብቲ ዘለዎ መጻብብ ብሰላም ክወጽእ ብሃንቀውታ ይጽበዩ ኣለዉ።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60270140"} {"headline":"ርያን፡ ኣብ ጸቢብ ጉድጓድ ንኣርባዕተ መዓልታት ተቐርቂሩ ንትርግታ ልቢ ሞሮካውያን ብሓደ ዘስመረ ህጻን","content":"ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻን ርያን ኦማር 1 ለካቲት ኣብ ከባቢ ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቀትሪ እዩ፡ ኣብ ጥቃ ኣቡኡ ኮይኑ እናተጻወተ እንከሎ ናብቲ ኣዝዩ ዓሙቕን ጸቢብን ማይ ዘይነበሮ 32 ሜትሮ ዕምቖት ዘለዎ ጉድጓድ ሸተት ኢሉ ኣትዩ። ንዕኡ ንምውጻእ ኣብ ዝግበር ዝነበረ መዓልታት ዝወሰደ ቅልስ ከኣ ሞሮካውያን ንመዓልታት ጸሎቶም ሓደ'ዩ ነይሩ ህጻን ርያን ካብቲ መንቀራቕሮ ብህይወት ክወጽእ። እቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሞሮኮ ብሰሉስ ዘጋጠመ ሓደጋ ንመላእ ዓለም ብድንጋጸ ዝተኸታተሎ ክስተት እዩ ነይሩ። ኣብቲ #SaveRayan ዝብል ናይ ትዊተር ጎስጓስ እታ ናይ ነዊሕ ዓመት መቐናቕንቲ ሞሮኮ ዝኾነት ኣልጀርያ'ያ ተጸንቢራቶ። ውሩይ ኣቕራቢ መደብ ቴለቪዥን ሞሮካዊ ራሺድ ኣላሊ እንከይተረፈ ስሩዕ መደባቱ ብምስራዝ ምስ ርያን ዘለዎ ምድንጋጽ ኣርእዩ። ኣሽሓት ሰባት ኣብቲ ጥቃ ርያን ዝተቐርቐረሉ ጸቡብ ዒላ ብምዃን ነቶም ንርያን ንምድሓን ዝረባረቡ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት የተባብዕዎም ነይሮም። እቶም ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን'ውን ለይትን ቀትርን ብዘይ ዕርፍቲ ሰሪሖም። እቲ ንርያን ንምድሓን ዝግበር ዝነበረ ስርሒት፡ እቲ ቦታ ከውሕን ሑጻ ዝበዝሖ ስለ ዝነበረ ምንሽርታት ናይ መሬት ንኸየጋጥም ብጥንቀቐ'ዩ ዝካየድ ነይሩ። ርያን ዝኣተዎ ጉድጓድ ኣብ ላዕሊ ስፍሓቱ 35 ሴንቲ ሜትር ጥራይ ስለ ዝነበረን እቲ ጉድጓድ ኣብ ታሕቲ እናጸበበ ስለ ዝኸደን ሰብ ኣእቲኻ ንምውጽኡ ዝተገበረ ፈተነ ክሰምር ኣይክኣለን። ከም ኣማራጺ ኣብ ጎኒ እቲ ዒላ ብኣርባዕተ ከበድሪ ማሽነሪታት ተሓጊዞም ጉድጓድ ኩዒቶም 32 ሜትሮ ንታሕቲ ምስ ኣተዉ ንጋድም ካልእ ጉድጓድ ብምኹዓት ናብቲ ርያን ዝተቀርቐረሉ ጸቡብ ጉድጓድ ከም ዝእቶ'ዩ ተገይሩ። ካብ ሞንጎ እቶም ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ሓደ ዓሊ ሳህራዊ ዝተብሃለ ብወለንትኡ ኣብ ምኹዓት ዝተሓጋገዝ ዝነበረ ሰብኣይ ብዘይዕረፍቲ በቲ ዘለዎ ተምክሮ ብገረወኛ ገይሩ ንዓሰርተታት ሰዓታት ብዘይ ዕርፍረቲ ሰሪሑ፡ ብዙሓት ኸኣ ንተወፋይነቱ ኣድኒቖሞ። እቶም ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ሰሉስ ቀትሪ ናብቲ ጉድጓድ ዝኣተወ ህጻን ርያን ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልታት ቀዳም ምሸት ናብቲ ዘለዎ በጺሖም። ናብ ኣምቡላንስ ኣብጺሐሞ፡ እቲ ኣብቲ ቦታ ኮይኑን ብቴለቪዥንን ነቲ መስርሕ ዝከታተሎ ዝነበረ ሰብ ኸኣ ሓጎሱ ገሊጹ። እንተኾነ ኣብ ሓጺር ግዜ ካብ ቤት ጽሕፈት ንጉስ መሓመድ ናይ መሮኮ ህጻን ርያን ከም ዝዓረፈ ዝሕብር መግለጺ ወጺኡ። እቲ ንጉስ ናብ ስድራ ርያን ብምድዋል ኸኣ ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ። ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ንስድራ ርያን ኣማኢክሎም ሓዘኖም ገሊጾም። ስነ ስርዓት ቀብሪ ርያን ትማሊ ኣብ መቦቆል ዓዱ ኣሽሓት ሰባት ኣብ ዝተረኸብሉ ተፈጺሙ። እቲ ዝኽሪ ግን ኣብ ልቢ ብዙሓት ብፍላይ ኸኣ ሞሮካውያን ንነዊሕ ክጸንሕ'ዩ።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60298785"} {"headline":"“ብኣድጊ ዝጉተት ቤተ-መጻሕፍቲ” ዘላለየ ጅግና ሲኤንኤን ዮሃንስ ገብረጊወርጊስ መን’ዩ?","content":"ዮሃንስ ገብረጊወርጊስ፡ ኣብ ዝተወለደሉ ከባቢ ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻድ ኮነ ዝንበብ መጻሕፍቲ ምርካብ ከም ሕልሚ ይቑጸር ምንባሩ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ከየልዓሎ ዘይሓልፍ ጉዳይ'ዩ ነይሩ። ንሱ ኣብ ግዜ ቁልዕነቱ ዘሕለፎ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ እጃሙ ክፍጽም ብምሕሳብ ዝሰርሖም ስራሕቲ ብደረጃ ዓለም ክብርታትን ሽልማታትን ክረክብ ኣብቂዕዖምዎ። ኣብ ወርሒ ጥሪ 2014 ኣ.ግ [2022 ኣ.ኣ] ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈለየን ኣብ ሓደ እዋን 'ጀግና ሲኤንኤን' [CNN HERO] ዝተባሃለን ዮሃንስ ገብረጊዮርጊስ መን'ዩ ነይሩ? እዋን ቁልዕነት ዮሃንስ ገብረጊዮርጊስ ኣብ መእተዊ 1940ታት ኣቆጻጽራ ግእዝ [መዛዘሚ 1940ታት ኣቆጻጽራ ፈረንጂ] ኣብታ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ጉጂ እትርከብ ነገሌ ቦረና እተበሃለት ንኡሽተይ ከተማ እዩ ተወሊዱ። 'ቴድ ኤክስ ኣቴንስ' [TEDxAthens] ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ ንምህዞታትን ብሉጻት ስራሕቲን ዘተባብዕ ዓለምለኻዊ መድረኽ ብተደጋጋሚ ዝቐርብ ዝነበረ ዮሃንስ፡ ንስራሕቱ ከላልይ ከሎ ኣቐዲሙ ብዛዕባ ድሕረ ባይትኡ ክዛረብ ይስማዕ። \"ኣብታ ንእሽተይ ናይ ገጠር ከተማ ነገሌ ቦረና እየ ተወሊደ። ገና ቆልዓ ሽድሽተ ዓመት ኮይነ ድማ ናብ ቤት ትምህርቲ ከይደ። ኣብ ቤት ትምህርተይ ግን መጻሕፍቲ ዝበሃል ኣይነበረን\" ክብል ነቲ ዝሓለፎ ኩነታት ይዝክር። ቅድሚ 12 ዓመታት [2002 ኣቆጻጽራ ግእዝ] ናብ ትግራይ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ከምዝተላለዩን ካብቲ ሽዑ እዋን ጀሚሩ ንነዊሕ ጊዜ ብስራሕ ከምዝራኸቡን ዝዛረብ ደራስን ተርጓምን መምህር ብርሃነ ኣቻሜ፡ \"ወለዲ ዮሃንስ ካብ ትግራይ ኮይኖም ኣብ ዙርያ መቐለ ካብ እትርከብ ደብሪ ዝተበሃለት ቦታ እዮም። ዮሃንስ ከይተወለደ ከሎ ብስራሕ ምኽንያት'ዮም ካብ ትግራይ ወጺኦም\" ይብል። ኣብ ኢትዮጵያ ወለዲ ብቓሎም ዘዘንትውዎም ኣዝዮም ብዙሓት ሓጸርቲ ዛንታታትን ትምህርቲ ዝህቡ ጸውጽዋያትን እንተነበሩ'ኳ ብመጻሕፍቲ ተሰኒዶም ዝቐረቡሉ ኩነታት የለን ይብል ነይሩ ዮሃንስ። በዚ ምኽንያት ኣብቲ ንሱ ዝመሃረሎም ኣብያተ ትምህርቲ ዝነበሩ ቆልዑ ከንብቡ ዝነበሮም ድልየት ይግታእ ነይሩ። ንሱ ግን ብዝኾነ ይኹን ኣጋጣሚ ንዝረኽቦም መጻሕፍቲ ዋላ ብእንግሊዝኛ ዝተጽሓፉ ስቕ ኢሉ ክሓልፎም ኣይመርጽን። ብፍላይ ሻድሻይ ክፍሊ ምስበጽሐ ብኣጻብዕቲ ዝቑጸሩ ናይ ትምህርቲ መጻሕፍቲ ኣብ ቤት ትምርቱ ይረክብ ብምንባሩ ብዘይምቁራጽ ከንብብ ጀመረ። \"ካብቲ እዋን ንደሓር ይመስለኒ ምስ መጻሕፍቲ ዘለኒ ፍቕሪ ድልዱል መሰረት ዝሓዘ\" ክብል ኣብቲ ቅድሚ 8 ዓመታት ኣቢሉ 'ቴድ ኤክስ ኣቴንስ' [TEDxAthens] ዘዳለዎ መድረኽ ተዛሪቡ ነይሩ። ነተን ኣብ ኣብያተ-መጻሕፍቲ ዝረኸበን ከምኡ'ውን ካብ ሰባት ብልቓሕ ዝወስደን መጻሕፍቲ ኣንቢቡ እናወደአ ፍልጠቱ ካብ ምድልዳል ብተወሳኺ፡ \"ንምንታይ መጻሕፍቲ ይሰኣኑ፤ ስለምንታይ'ከ ብቋንቋታት ሃገርና ዝተሓተሙ ውሒዶም?\" ዝብል ሕቶ ክሓትት ጀሚሩ። ወዲ 19 ዓመት እናሃለወ ሓደ ካብ ኣሜሪካ ዝተመለሰ ሰብ ብዙሓት መጻሕፍቲ ሒዙ ብምምጽኡ ንዮሃንስ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮነ። ካብተን ሒዝወን ዝመጽአ መጻሕፍቲ ሓንቲ ብዛዕባ ፍቕሪ እተዘንቱ መጽሓፍ ንኽህቦ ምስሓተቶ ኣየኳለፎን። ነታ ብእንግሊዝ ዝተትሓፈት መጽሓፍ ኣንቢቡ ምስወደአ ድማ ናይ ምንባብ ሸውሃቱ ብዝያዳ ስለዝተኸፈተ ኣዝዮም ብዙሓት መጻሕፍቲ ከንብብ ኪኢሉ። \"ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ምስዛዘምኩ ናብቲ ኣብቲ ሽዑ እዋን ዝነበረ ሓይሊ ባሕሪ ተጸምቢረ። ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ድማ ኣብቲ ማእኽል መሰልጠኒ ኣብ ዝነበረ ቤተ-ንባብ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መጻሕፍቲ ስለዝነበሩ ንኹሎም ዓይነታት ከንብብ ጀሚረ\" ክብል ኣብ ሓደ ዓለምለኻዊ መድረኽ ተዛሪቡ ነይሩ። ስልጠንኡ እናተኸታተለ ካልኦት ዝተፈላለዩ መጻሕፍቲ ብምንባብ ፍልጠቱ ዘማዕበለ ዮሃንስ ኣብቲ ሓይሊ ባሕሪ ብዙሕ ክጸንሕ ኣይመረጸን። ንሱን እቲ ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ባህግን ክራኸቡ ብዘይምኽኣሎም ካብኡ ወጺኡ ናይ ፋርማሲ ትምህርቲ ብምክትታትል ንዝተወሰነ እዋናት በቲ ሞያ ሰሪሑ። \"ኣብቲ ሽዑ እዋን [ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ደርግ ዝነበረትሉ] ጽቡቕ ፖለቲካዊ ኩነታት ብዘይምንባሩ ብ1980 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ካብ ዓዲ ክወጽእ ወሲነ\" ዝብል ዮሃንስ፡ ፈለማ ናብ ሱዳን ብስደት ወጺኡ ደሓር ድማ ናብ ኣሜሪካ ኣተወ። ኣብኡ ድማ ናይ 'ላይብረሪ ሳይንስ' ትምህርቲ ብምክትታል ኣንፈት ቀጻሊ ጉዕዞ ህይወቱ ኣነጸረ። ዮሃንስ ናብራ ስደቱን ትምህርቱን ዝቐጸለላ ኣሜሪካ ብላይብረሪ ሳይስን ተመሪቑ፡ ብ1985 ናብቲ ባሕሪ መጻሕፍቲ ዝኾነ ኣብ ሳፍራንሲስኮ ቤተ-ንባብ ህጻናት ስራሕ ምስጀመረ፤ ሓደ ነገር ኣስተብሃለ። ካብ ሞንጎ እቶም ብ70 ቋንቋታት ዝተጽሓፉ ስእላዊ መጻሕፍቲ ዋላ ሓንቲ ብናይ ኢትዮጵያ ቋንቋ ዝተጽሓፈት መጽሓፍ ከምዘየላ'ዩ ተዓዚቡ። 'ስለምንታይ' ዝብል ሕትኡ፡ ናብ ምምሕዳር እቲ ቤተ-መጻሕፍቲ ምስ ኣቕረበ ከኣ፡ 1200 ዶላር ኣሜሪካ በጀት ተበጂቱ \"ናይ ኢትዮጵያ መጻሕፍቲ ዓዲግካ ኣታዊ ግበር\" ተበሃለ። ግን ድማ ነቶም ብቋንቋታት ኢትዮጵያ ብኣውርኡ ብኣምሓርኛ ዝተትጽሓፉ መጻሕፍቲ ምርካብ ቀሊል ኣይነበረን። እዚ ክኸውን ዝኸኣለሉ ምኽንያት'ውን ኣብ ኢትዮጵያ ዝሕተሙ መጻሕፍቲ ኣዝዮም ውሑዳት ብምንባሮም ከምኡ'ውን ዋግኦምን ናብ ኣሜሪካ ክተምጽኦም ዝወጽእ ወጻእን ክብር ዝበለ ብምዃኑ'ዩ። ሽዑ ዮሃንስ መጽሓፍ ካብ ምንባብ ሰጊሩ ባዕሉ ናብ ምጽሓፍ ክኣትው ወሰነ። ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ዝፈልጥዎ \"ማሞ ቂሎ\" ብዝብል ዝዝንቶ ኣፋዊ ጽውጽዋይ ጽሒፉ ናብ ሕትመት ኣብቅዐ። እቲ መጽሓፍ ድማ ብቋንቋታት ኣምሓርኛን እንግሊዝኛን ዝቐረበ ፈለማይ መጽሓፍ ኮነ። ኣብ 1988 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ፡ ነታ ካብ መሸጣ መጽሓፍ \"ቂሉ ማሞ\" [Silly Mamo - ማሞ ዓሻ] ዝረኸባ ንኢሽተይ ገንዘብን ካልኦት ዝገበሩሉ ሓገዝን ኣኻኺቡ \"ኢትዮጵያ ተንብብ\" ዝብል ምንቅስቓስ ክጅምርን ዘይኣትራፊ ትካል ከጣይሽን ወሰነ። በዚ ምንቅስቓስ ኣቢሉ ንህጻናትን መናእሰይ ዝኸውን ኣብያተ መጻሕፍቲ ንምስፍሕፋሕ ብምሕሳብ'ዩ ድሕሪ ናይ ኣስታት 20 ዓመታት ጻንሒት፡ ነቲ ናይ ሳንፍራንሲስኮ ቤተመጻሕፍቲ ህጻናት ስርሑ ኣቋሪጹ ኣብ 2002 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ናብ ኢትዮጵያ ዝተመለሰ። ቤተመጻሕፍቲ ህጻናት 'ሳንፍራንሲስኮ' ድማ ንዮሃንስ ጥራይ ኢዱ ኣየፋነዎን። ምምሕዳር እቲ ቤተ-መጻሕፍቲ መእተዊ ዓዲ ዝኾንዎ 15 ሽሕ መጻሕፍቲ ለገሰሉ። በቶም መጻሕፍቲ ከኣ ኣብ መንብሪ ገዝኡ ፈላማይ ቤተመጻሕፍቲ ክኸፍት በቒዑ። \"ዮሃንስ ናብ ኢትዮጵያ ምስተመለሰ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ቤተ-መጻሕፍቲ ከፊቱ። እቲ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ዝኸፈቶ ቤተንባብ ድማ ናይ ህጻናትን መናእሰይን ቤተንባብ እዩ ነይሩ\" ይብል ናይ ሞያ መሓዝኡ መምህር ብርሃነ ኣቻሜ። በቲ \"ኢትዮጵያ ተንብብ\" [Ethiopia Reads] ዝብል ወፍሩ ኣቢሉ፡ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ዝኸፈቶ ቤተንባብ ህጻናት ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ ተፈላጥነት ብምርካቡ ተወሳኺ ቦታ ስለዘድልዮ ካብ ዳስ ዝተሰርሑ ተወሰኽቲ ክፍልታት ብምኽፋት ኣገልግሎት ምሃብ ቀጸለሉ። \"ናብ ኢትዮጵያ ክምለስ ዝወሰንኩሉ ምኽንያት ህጻናት ዝሓሸ ተስፋን መጻእን ንኽህልዎም ሓገዝ ክገብረሎም ብምሕሳብ'ዩ\" ኢሉ ነይሩ ዮሃንስ ሓደ እዋን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት። ብዘይካ እተን ብስሩዕ ዝኸፈተን ኣብያተ መጽሓፍቲ፡ ካልእ ፍልይ ዝበለ ሓሳብ ስለዝመጽኣሉ ድማ ናብ ተግባር ከሽርፎ ብዙሕ ጸዓረ። መበገሲ እቲ ሓሳቡ ኣብ ዚምባብዌ ዝረኣዮ ሓደ ተበግሶ'ዩ ነይሩ። ተንቀሳቓሲ ቤተመጻሕፍቲ ምድላው ከምዝከኣል ዝተገንዘበ ዮሃንስ፡ ኣብ ኩሉ ቦታ ህንጻ ቤተመጻሕፍቲ ምህናጽ ስለዘይከኣል ብኣድጊ ኣብ ዝጉተታ ካሮሳታት (ጋሪ) ተንቀሳቓሲ ቤተመጻሕፍቲ ንምጥያስ ወሰነ። ናብ ተግባር ከኣ ኣሽረፎ። \"ኣእዱግ ኣብ ህይወት ሕብረተሰብና ብፍላይ ኣብ ገጠራት ዓብዪ ትርጉም ኣለዎም። ንዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ስለዝውዕሉን ብብዝሒ ስለዝርከቡን ነቲ ተንቀሳቓሲ ቤተመጻሕፍቲ እናጎተቱ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ከንቀሳቕሱ ንምግባር ኣብ ውሳነ በጺሔ\" ክብል ኣብቲ ብ'ቴድኤክስ ኣቴንስ' [TEDxAthens] ዝተዳለወ መድረኽ ኣረዲኡ ነይሩ። ነቶም ተንቀሳቐስቲ ኣብያተ መጻሕፍቲ ዝተሰከሙ ኣእዱግ እናመርሑ ህጻናት ናብ ዝርከቡሎም ከባብታት ዘብጽሑ ሰባት ቆጺሩ የስርሕ ዝነበረ ኮይኑ፡ ብፍላይ እቶም መጽሓፍ ናይ ምርካብ ዕድል ዘይነበሮም ህጻናት ተምሃሮ ተረባሕቲ ንክኾኑ ጽዒሩ። ብፍላይ ኣብ ክልል ደቡብ ነቲ ብኣድጊ ዝንቀሳቐስ ቤተመጻሕፍቲ ብስፍሓት ከምዝሰርሓሉ ይግለጽ። ዮሃንስ ቅድሚ 13 ዓመታት ምስ መጽሄት ታዲያስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ካብ 2002 ጀሚሩ ክሳብ 2009 ኣብ ዝነበረ እዋን ን16 ኣብያተ ትምህርቲ ዘገልግሉ ኣብያተ ንባብ ከምዝሃነጹ ሓቢሩ ነይሩ። ዝተፈላለዩ ናይ ህጻናት መጻሕፍቲ ካብ ምሕታም በተወሳኺ፡ ኣብ ውሽጢ 7 ዓመታት [ካብ 2002 ክሳብ 2009 ኣ.ኣ] ልዕሊ 30 ሽሕ መጻሕፍቲ ከምዘከፋፈሉ፤ ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ ጊዜ ተወሰኽቲ 75 ሽሕ መጻሕፍቲ ከምዝዕድሉን ተዛሪቡ ነይሩ። ብርግጽ እውን ካብቲ እዋን ንደሓር ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ፤ ኣብያተ መጻሕፍቲ ብምጥያሽ ኮነ ንዝነበራ ቤተንባብ ኣብ ምጥንኻር ርኡይ ስራሕቲ ክሰርሕ በቒዑ'ዩ። ነቲ ብኣድጊ ዝጉተት ቤተመጻሕፍቲ'ውን ብፍላይ ኣብ ገጠራት ብስፍሓት ሰሪሑሉ። \"ዮሃንስ ህጻናት መጻሕፍቲ ብዝግባእ ረኺቦም ብፍልጠት ክህነጹ ዝለዓለ ባህጊ ነይርዎ\" ዝብል መምህርን ደራስን ብርሃነ ኣቻሜ ብ2002 ኣ.ግ ናብ ትግራይ ብምምጻእ ነተን ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ትምህርቲ ኣገልግሎት ዝህባ ቤተንባብ ብርክት ዝበለ መጻሕፍቲ ከምዘቕረበለንን ሓንቲ ብኣድጊ እትጉተት ተንቀሳቓሲት ቤተንባብ ከምዘጣየሸን ይዛረብ። \"ህጻናት መጻሕፍቲ ክረኽቡን ናይ ምንባብ ልምዲ ከማዕብሉን እዩ ዕላምኡ ዝነበረ። ኣብ መቐለ ዝርከባ ደብሪ፣ ፍረ-ስውኣትን ማሕሊሓምን ንዝተባሃላ ኣብያተ ትምህርቲ መጻሕፍቲ ኣማሊኡለን'ዩ። ስፍራ ጀጋኑ ናብ ዝበሃል ቦታ [ጉድኣት ኲናት ትግራይ ናብ ዝነብሩሉ ከባቢ] ድማ ብኣድጊ እትጉተት ቤተመጻሕፍቲ እናወሰደ ህጻናት ከንብቡ ይገብር ነይሩ\" ክብል ብርሃነ የረድእ። ንህጻናትን መናእሰይ መቐለ ዘገልግል 'ሰገናት' ዝተባሃለ ህዝባዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ድማ ከጣይሽ ኪኢሉ። \"ኣብቲ ህዝባዊ ቤተመጻሕፍቲ ነቶም ኣብ ዝነኣሰ ዕድመ ቁልዕነት ዝርከቡ ህጻናት ከይተረፈ ሓንቲ ክፍሊ ፈልዩሎም'ዩ። 'ትግራይ ተንብብ ትግራይ ትዕምብብ' ዝብል መሪሕ-ቃል ብምሓዝ'ዩ ይንቀሳቐስ ነይሩ\" ይብል እቲ ንዝሓለፉ 12 ዓመታት ሞይኦም ከምዘመሓዘዮም ዝዛረብ መምህር ብርሃነ ኣቻሜ። ኣብያተ-መጻሕፍቲ ክጣየሹ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ንህጻናት ዝኾኑ መጻሕፍቲ ኣብ ምጽሓፍ፣ ምትርጓምን ምሕታምን እውን ይነጥፍ ነይሩ። ዝተሓተሙን ዘይተሓተሙን መጻሕፍቲ ኣለውዎ። ብዘይካ እታ ኣብ ኣሜሪካ ዘሕተማ 'ቂሉ ማሞ' [Silly Mammo] እትብል መጽሓፍ፡ እታ ብእንግሊዝ 'Tirhas celebrates Ashenda' [ትርሓስ ኣሸንዳ ትብል'ላ] ዝብል ርእሲ ዝሃባ መጽሓፍ ናብ ሕትመት ኣብቂዑ ነይሩ። ነታ መጽሓፍ ብትግርኛን ኣምሓርኛን ክትትርጎም ብምግባር ብብዝሒ ከምዘሕተማ መምህር ብርሃነ ይዛረብ። \"ብዘይካ እተን ናብ ሕትመት ዝበቕዓ መጻሕፍቱ፤ ኣብ ትግራይ ናብራ ምስጀመረ ዘዳለወን ናይ ትርጉም መጻሕፍቲ ምስ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብምትሕብባር ከሕትመን ምንቅስቓስ ጀሚሩ ነይሩ። ደሓር ግን እቲ ብማሕበር ትግራይ ዝተመረጸ ናይ ሕትመት ደረጃ ስለዘየዕገቦ እተን መጻሕፍቱ ከይተሓተማ ክጸንሓ ወሲኑ\" ይብል መምህር ብርሃነ። እቶም ዮሃንስ ንህጻናት ዘዳለዎም መጻሕፍቲ ብስእላዊ መግለጺታት ዝተሓገዙ ከምዝኾኑ ብምሕባር ድማ፡ ኣብ ዙርያ ኣጸሓሕፋ መጻሕፍቲ ንህጻናት ዘድሃበ ስልጠና ኣዳልዩ ንሱን ካልኦትን ከምዝተሳተፉሉ ይዝክር። ሽዑ ነቲ ስልጠና ዝሃቡ ሰብሞያ እቲ ዓውዲ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጽኡ ነይሮም። ዮሃንስ ብፍላይ ኣብ ህጻናትን መናእሰይን ትኹረት ሂቡ ምስርሑ ናእዳ ክረክብ ኣኽኢልዎ'ዩ። እቲ ብኣድጊ ዝጉተታ ኣብያተ መጻሕፍቲ ናይ ምጥያሽ ሓሳቡ ድማ ንቐልቢ ማዕኸናት ዜና ዓለም ዝሰሓበ ነይሩ። ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝተፈላለዩ ሽልማታትን ኣፍልጦን ዝተወሃቦ ኮይኑ፡ በቲ ሙሉእ ግዚኡ ሂቡን ተወፍዩን ዝሰርሖ ስራሕቲ ከኣ ኣብ ኣሜሪካ ካብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ረጂስ ናይ ክብሪ ዶክትሬት ክረክብ በቒዑ። ዓለምለኻዊ ማዕኸን ዜና ሲኤንኤን 'ጀጋኑ' ብዝብል በቢዓመቱ ዘዳለወዎ ሽልማት ኣሎ። ዮሃንስ ከኣ ካብ ሞንጎ እቲ ማዕኸን ዜና ኣብ 2008 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ዝሸለሞም ሰባት ሓደ ክኸውን ከምዝኸኣለ ይዝከር። መምህር ብርሃነ \"ኣብቲ ናይ ሲኤንኤን ጀግና ካብ መላእ ዓለም ዝተውጻእጽኡ ኣስታት 3,000 ሰባት'ዮም ብሕጹይነት ቀሪቦም ነይሮም። ኣብ መወዳእታ ግን 10 ጥራሕ ተዓዊቶም። ዮሃንስ ሓደ ካብቶም ዝተዓወቱ ክኸውን በቒዑ\" ክብል ነቲ ኩነታት ይገልጾ። ብተወሳኺ'ውን እቲ 'ሲሊ ማሞ' ብዝብል ርእሲ ዝጸሓፎ መጽሓፉ ኣብ 2003 'ሽልማት ብሉጽ መጽሓፍ ህጻናት ኣፍሪቃ' ክዕወት ኪኢሉ። እቲ ሽልማት ኣብ ኣሜሪካ ዝካየድ ኮይኑ ንኣፍሪቃውያን መጻሕፍቲ ህጻናት ከምዝወሃብ ይግለጽ። ኣብ ማሕበር ቤተንባብ ኣሜሪካ ድማ ናይ ክብሪ ኣባልነት ተዋሂብ'ዩ። ዮሃንስ ገብረጊዮርጊስ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ሕማም ኣብ 18 ጥሪ 2022 ዓሪፉ።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60200037"} {"headline":"ኣብ ላይቤርያ ሓደ ሰብኣይ ንወድኻ ክትሸይጥ ፈቲንካ ብዝብል ተኸሲሱ","content":"ኣብ ላይቤርያ ሓደ ሰብኣይ ንወድኻ ክትሸይጥ ፈቲንካ ብዝብል ተኸሲሱፖሊስ ላይቤርያ ሓደ ሴራልዮናዊ ንወዲ 10 ዓመት ውላዱ ክሸይጥ ፈቲኑ ብዝብል ክሲ መስሪቱ። እቲ ሰብኣይ ንዝተሰረቐቶ ሞቶርሳይክል መተካእታ ንምዕዳገ ገንዘብ ንምርካብ ዝገበሮ ናይ ተስፋ ምቁራጽ ስጉምቲ ምንባሩ ተፈሊጡ። ኣብ ርእሰ ከተማ ላይቤርይ፡ ሞንርቭያ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታው እቲ ሰብኣይ ንመርመርቲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ናይ ብጻዩ ሞቶርሳይክል ካብ ገዝኡ ስለዝተሰረቐት ኣስታት 1000 ዶላር የድልዮ ምንባሩ ተዛሪቡ። ነዚ ገንዘብ ብቕልጡፍ ክረኽበሉ ዝኽእል እንኮ መገዲ ናብ ጎረቤት ሃገር ላይቤርያ ብምኻድ ንወዱ ዝዕድግ ሰብ ምርካብ ጥራይ ምንባሩ ከምዝተነገሮ ገሊጹ። ኣብቲ ዶብ ከምኡ ምግባር ብዙሕ ኣጸጋሚ ከምዘይኮነ’ውን ከምዝሰምዐ ተዛሪቡ። እቲ መሸጣ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ብመገዲ ደላላይ ዝተዋደደ ኮይኑ፤ ምእንቲ ከይፍለጡ ዋጋ ዕዳጋ ኣብ ዝገብሩሉ ዝነበሩ እዋን ነቲ ቆልዓ ከም ሰብ ዘይኮነ ከም ደርሆ ይጠቕስዎ ነይሮም። እንተኾነ ግና ፖሊስ ጽንጽንታ ምስ ረኸበ እቲ ዓዳጊ ከይመጸ እንከሎ እዩ ነቲ ኣቦ ኣብ ቀይዲ ኣእትይዎ። ብመሰረት ጸብጻብ ማዕከን ዜና ‘ግሎባል ኒውስ ኔትዎርክ ላይቤርያ’ እቲ ህጻን ኣብዚ እዋን ኣብ ክንክን ሚኒስትሪ ጾታ ይርከብ። ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰባት ኣዝዩ ኣሻቓሊ ጉዳይ እዩ። ናብ ዘመናዊ ባርነት ዝሽየጡ ቖልዑ ምስ ስድራቤቶም ክራኸቡ ከም ዘይፍቀደሎምን ኣብ ናይ ገዛ ስራሕ ክዋፈሩ ከምዝግበርን ይግለጽ።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59920122"} {"headline":"ጓል ኣርባዕተ ዓመት ቆልዓ ዝጨወየ ሰብኣይ ን18 መዓልታት ኣብ ገዝኡ ዓጽዩዋ ተረኺቡ","content":"ሓደ ኣውስትራልያዊ፡ ክልዮ ስሚዝ ንዝተባሃለት ጓል ኣርባዕተ ዓመት ቀልዓ ጨውዩ ን18 መዓልታት ኣብ ገዝኡ ከምዝዓጸዋ ኣሚኑ። ክልዮ ምስ ስድራአ ኣብ ምዕራባዊ ኣውስትራልያ፡ ኣብ ምዝንናይ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እያ ተሰዊራ ጸኒሓ። ናይታ ቖልዓ ምጥፋእ ህዝባዊ ቁጥዐ ፈጢሩ ዝነበረ ኾይኑ፡ ፖሊስ ገዛ ገዛ ከይተረፈ ሓያል ኣለሻ ከካይድ ቀንዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ፖሊስ እታ ቖልዓ ካርናርቮን ኣብ ዝተብሃለ መንበሪ እንዳ ሓደ ሰብኣይ ተዓጽያ ረኺብዋ። ወዲ 36 ዓመት ተረንስ ዳረል ኬሊ፡ ኣብቲ ሎሚ ሰኑይ ዝተኻየደ መጋባእያ ቆልዓ ብምስራቕ ገበነኛ ኾይኑ ተረኺቡ’ሎ። እንተኾነ፡ እቲ ነዊሕ ናይ ቤት ፍርዲ መስርሕ ከምዝወስድ ትጽቢት ተገይርሉ ዝነበረ ጉዳይ እቲ ሰብኣይ ቀልጢፉ ብምእማኑ ክሓጽር ከምዝኸኣለ ጸባጻባት መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር የመልክቱ። ፖሊስ ኣብ ሕዳር ነታ ቆልዓ ኣብ ገዛ እቲ ውልቀሰብ ምስረኸባ፡ ኬሊ ሽዑ ንሽዑ ናብ ቤት ማእሰርቲ ተወሲዱ። እታ ቆልዓ ፖሊስ ብዘካየዶ ኣለሻ ኣብቲ ገዛ ተሓቢኣ ኣብ ዝተረኽበትሉ እዋን፡ ክምስ እናበለት ምስ ፖሊስ ክትዘራረብ ትርአ። ኣባላት ስድራኣ ጸኒሖም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ‘ጓልና ስለዝተረኽበት ኣዚና ነመስግን’ ክብሉ ዝተሰመዖም ሓጎስ ገሊጾም።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60108687"} {"headline":"ፐይስሊ ሸልቲስ፡ ንሰለስተ ዓመት ዝጠፈአት ህጻን ኣብ ምስጢራዊ ክፍሊ ብህይወት ተረኺባ","content":"ኣብ 2019 ዝጥፍአት ህጻን ኣብ ትሕቲ መደያየቢ ኣብ ዝተሰርሐ ምስጢራዊ ክፍሊ ብህይወት ከምዝተረኸበት ፖሊስ ኒውዮርክ ገሊጹ። እታ ፐይስሊ ሸልቲስ ዝተባህለት ጓል ሽዱሽተ ዓመት ህጻን፡ ብሰኑይ ፖሊስ ኣብ ከተማ ሳውገርታይስ ኣብ ዝርከብ ሓደ ገዛ ብዝገበሮ ዳህሳስ እያ ተረኺባ። ፐይስሊ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና ከምዘላን ምስ ሕጋዊ መዕበይታን ዓባይ ሓፍታን ከምዝተራኸበትን እውን ፖሊስ ገሊጹ። ሕጋዊ መዕበይታ ዘይኮኑ ወለዳ ኣብ ምእላይ እታ ህጻን ጣልቃ ብምእታውን ድሕነታ ኣብ ሓደጋ ብምውዳቕን ተኸሲሶም ኣለዉ። እታ ህጻን ኣብ ሓምለ 2019 ኣብ ኒውዮርክ ካብ ዝርከብ ግዝኣት ቶይጋ እያ ጠፊኣ፤ ኣብቲ እዋን ጓል ኣርባዕተ ዓመት ነይራ። ፐይስሊ ምስጠፍአት ብወለዳ ኪምበርሊ ኩፐርን ኪርክ ሸልቲስን ተጨውያ ኢሎም ከምዝኣምኑ ሰብመዚ ገሊጾም ነይሮም። ፖሊስ እታ ህጻን ኣብ ከተማ ሳውገርቲስ ኣብ ዝርከብ ሓደ ገዛ ተሓቢኣ ተቐሚጣ ከምዘላ ሓበሬታ ምስረኸበ፡ ነቲ ገዛ ክፍትሽ ፍቓድ ረኺቡ። እቲ ገዛ ቅድሚ ሐዚ እውን ተፈቲሹ ነይሩ እዩ። እቲ መንበሪ ገዛ እንትፍተሽ ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ኪርክ ሸልቲስ ዝተባህለ በዓል ዋናን ኣቦ ሓጎ እታ ህጻንን ፡ ፐይስሊ ኣበይ ከምዘላ ከምዘይፈልጥ ንፖሊስ ተዛሪቡ። ኮይኑ ግና ድሕሪ እቲ ልዕሊ ሓደ ሰዓት ዝተገበረ ፍተሻ፡ ሓደ ካብቶም መርመርቲ፡ እቲ ናብ ምድሪ ቤት ዘውርድ መደያይቦ ብፍሉይ ከምዝተሰረሐ ኣስተውዒሉ። እቶም ፖሊስ ኣብቲ ደረጃ ተደርዲሩ ዝነበረ ብዙሕ ጣውላታት ምስኣልዓሉ፡ ፐይስሊን ወ\/ሮ ኩፐርን \"ንኡሽቶ፥ ዝሑልን ዝጠልቀየን\" ክብሉ ኣብ ዝገለጽዎ ተዓቢጠን ከምዝረኸቡወን ገሊጾም። ፐይስሊ ሕክምናዊ ምርመራ ከምዝተገበረላን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና ከምዘላን ተሓቢሩ ኣሎ። እቶም ነታ ህጻን ጨውዮም ብምውሳድ ዝተኸሰሱ ሕጋዊ መዕበይታ ዘይኮኑ ወለዳን ኣቦ ሓጎኣን ኣብ ቀይዲ ውዒሎም ዝነበሩ ኮይኖም፡ እቶም ኣቦን ወድን ንግዚኡ ከምዝተፈትሑ ፖሊስ ገሊጹ። ፖሊስ ተወሳኺ ምርመራ የካየድ ከምዘሎ እውን ሓቢሩ።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60404543"} {"headline":"ንኣሽሓት ፊደል ዘቑጸራ ሓፍቲ ኣቦይ ወልደኣብ ወልደማርያም መምህር ኣስቴር","content":"መምህር ኣስቴር ወልደማርያም፡ ብዘመን ጣልያን ሓንቲ ካብ'ተን ቀዳሞት መምህራን ነበራ። ኣብ ዓድ'ዉግሪን በለዛን ኣብ ናይ ሚስዮን (ሽወደን) ተማሂረን ናይ ትምህርቲ ዕድል ንዘይረኸባ ደቂ ኣንስትዮ ንክመሃራ መንገዲ ዝኸፈታ ዓባይ መምህር እየን። መምህር ኣስቴር ብ1900 ኣብ ዓዲ ዛርና ተወልዳ፣ ብ2000 ካኣ ኣብ ዑቝባ ጓለን፡ ናእሚ፡ ሓደ ወርሒ ቅድም ሚእቲ ዓመት ምምልአን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዓረፋ። ስድርአን ብሓልዮት ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን (ከኒሻ) ዝተመልመሉ፡ ንሸሞንተ ደቆም ዘመናዊ ትምህርቲ ንክመሃሩ ዝከኣሎም ዝጸዓሩ ሕያዎት ሓረስቶት ስድራ ነበሩ። ኰይኑ ድማ ወ\/ሮ ኣስቴር ኣብ ዓድ'ዉግሪ፣ ጸዓዘጋን ኣስመራን፡ ጸኒሐን ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ተማሃሮ ዝመልመላ መምህር ብምንባረን እየን ዝዝከራ። ንመዘከርታ መምህር ኣስቴር ወልደማርያም፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ኣዴታት፡ ብክሪስተል ኣረንስ \/ ኤቢስ ኣሻና ዝተሰናድአ \"In Memory of Them: Women Witnessing to Christ in Ethiopia (1870-2019)\" ዘርእስቱ መጽሓፍ ተሓቲሙ ኣሎ። ትሕዝቶ'ቲ መጽሓፍ ኣስተዋጽኦ ፍሉጣት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን (ኢትዮጵያ) ኢዩ ዝጽብጽብ። እተን ኣሰናዳእቲ ነቶም ፍሉያት ዛንታት ኣኪበን ኣብ ዝተኸናወነ ታሪኻዊ ኵነት ብምስኳዕ ንዝሓለፉ 150 ዓመታት ዝሽፍን ዛንታ ብምቕራበን ክምስገና ይግባእ። እቲ ዛንታ ብጉስታቫ ሉንዳል (1839 - 1872) ኢዩ ዝጅምር። ጉስታቫ ምስ በዓል ቤታ ኣብ ባጽዕ እቲ ቀዳማይ ቤት-ትምህርቲ ዝተኸለት ሚስዮናዊት (1871) ነበረት። ሕልሚ ጉስታቫ ቤት-ትምህርቲ ኣዋልድ ኣብ ኢትዮጵያ ንምኽፋት ነበረ። ግናኸ ኣብ 33 ዕድሚኣ ብሕማም ሕርሲ ሞተት። ስለዚ ኣብቲ መጽሓፍ ተሞኵሮታት ናይ ዝተፈላለያ ደቂ ኣንስትዮ - ኣብ ስራሓት ሚስዮን ዝተሳተፋ - ቀሪቡ ኣሎ፣ እንኮላይ ዛንታ መምህር ኣስቴር ወልደማርያም። መምህር ኣስቴር ብዓይኒ ደቀን \"ኣደይ ኣዝያ ሕያወይቲ'ያ ነይራ። ብሓልዮት ካልኦት እትሓስብ ኣደ ነበረት። ሕምየት ዘይትፈልጥ፡ ብካልእ ሰብ ሕማቕ ዘይትሓስብ ብምንባራ ኵሉ እዋን ኣብ ቀልበይ ኣላ። 'እዝራ ወደይ' እናበለት ክትጽውዓኒ እቲ ፈቃር ኣጸዋውዓኣ ይዝከረኒ\" ይብሉ ፕሮፈሰር\/ፓስተር እዝራ ገብረመድህን። ፓስተር እዝራ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልዱ፡ ኣብ ከተማ ኡፕሳላ (ሽወደን) ዝነብሩ ስነ-ሃይማኖተኛን መራሕ ቤተ-ክርስትያንን'ዮም። ፓስተር እዝራ ኣብ ታሪኽ (ዓለማዊ ይዅን ቤተ-ክህነታዊ) መንፈሳውነት ኣትኲሮም ብቋንቋታት እንግሊዘኛ ሽወደን ኣምሓርኛ ትግርኛ ዝጽሕፉ መምህር'ዮም። \"ኣቦይ ንወራር ጣልያን ክምክት ናብ ማይጨው ዝኸተተሉ እዋን - ብ 1935 ማለት'ዩ - ኣደይ ንዓይ ጥንስቲ'ያ ነይራ። በዓል-ቤታ ብሰላም ምእንቲ ክምለስ ምስ'ተን ካልኦት ሰብኡተን ንውግእ ዝወፈሩ ኣንስቲ ዀይና ጸሎት ክትገብር ትዝከር'ያ - \"ይኣክል፡ ይኣክል በል ጐይታ\" እናበለት ክትጽሊ እተን ናይ ሽዑ ኣዴታት ይዝክርኣ\" እናበሉ ንኣዲኦም ይዝክርወን። \"ኣብ ዩኒቨርሲቲ-ኮለጅ ተማሃራይ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ናይ ክረምቲ ስራሕ ኣብ ወልድያ (ወሎ) ረኺበ ክነቅል ምስ ተበገስኩ፡ ካብ ሓልዮትን ፍቕርን ዝነቐለ 'ኣታ ወደይ፡ እንታይ ገደሰካ ክረምትኻ ኣብዚ ምሳና ዘይተሕልፎ' ኢላ ከተታርፈኒ ይዝከረኒ\" ይብሉ ቀሺ እዝራ። \"እዝራ ወደይ ኣምላኽ ሞጐሱ ሂቡካ ኣሎ\" እናበለት ክሳብ ጊዜ ሞታ ትምርቐኒ ነይራ\" ብምባል ንተዘክሮታት ኣዲኦም ወሰኽሉ። ፕሮፈሰር ናይእዝጊ ድማ፡ ዓቢ ሓዎም ንቀሺ እዝራ፡ ብስነ-ህንጻን መወቕራዊ-ሳይንስን ኣብ ኣመሪካ. ልዑል ትምህርቲ ዝቐሰሙ፡ ብዛዕባ ኣዲኦም ናቶም ዛንታ ኣሎዎም። \"ኣቦይ ናብ ዉግእ ዝወፈረሉ እዋን - ኣደይ እናጸለየት ተኸናኺና'ያ ኣዕብያትና። ርግጽ'ዩ ኣብቲ ንነብረሉ ዝነበርና ማሕበርሰብ ሰባት ኣኪባ - ኣብ መካነየሱስ ኣዲስ ኣበባ ምዃኑ'ዩ - ንምእመናን ኣብ እምነቶም ክጸንዑ ሓቦ ገይራ ንካልኦት ሓቦ ክገብሩ ትጽዕር ከም ዝነበረት ሰባት ይምስክሩላ\" ይብሉ ፕሮፈሰር ናይዝጊ። \"እመቤት ሲግሪድ በርግረንን ኣደይን ናይ ቀረባ መሓዙትን መሳርሕትን'የን ነይረን\" ኢሎም ዛንትኦም ይቕጽሉ። ሲግሪድ በርግረን (1874 - 1967) ዓቕሚ ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምምዕባል፡ ኣብ ክንክን ጥዕና ዀነ ትምህርቲ-ወንጌል ዝነጥፋ ምስዮናዊት ነበራ። ዝበዝሐ ስርሐን ኣብ ጸዓዘጋ (1904-1921) ኢየን ኣሕሊፈንኦ። ብ1922 ኸኣ ኣብ በለዛ ሰርሓ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኸኣ ካብ 1926 ክሳብ ጊዜ መስጐጕተን (1936) ኣገልገላ። ጣልያን ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ኣተወ ንሚስዮናውያን ይጻብኦም ስለ ዝነበረ ኣብ ኢትዮጵያ ስርሐን ከም ዘቋርጻ ገበረ። \"ኣደይ ክትምርዖ ኸኣ እቶም መሳርሕታ ሽወደናውያን 'ጓልና ነመርዑ ስለ ዘለና ብክብሪ ንዕድመኩም' ብምባል ናይ ዕድመ ወረቐት ንኣባላት ማሕበረሰብና ለኣኹሎም\" እናበሉ ነቲ ናይ ሽዑ ፍቕሪ ንምግላጽ ፕሮፈሰር ናይእግዚ የዘንትዉ። ጕዕዞ ናብ ኣዲስ ኣበባ ሓንቲ ሲግሪድ በርግረን ዝተባህላ ሽወደናዊት ኣብ ምምዕባል ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ልዑል ተራ ዝተጻወታ ሚስዮናዊት ኢየን ነይረን። ገዛእቲ ጣልያን ንህላወ ሽወዳናውያን (ሚስዮናውያን) ይጻብእዎም ስለ ዝነበሩ ስርሖም ንከየሰላስሉ ብዙሕ ዕንቅፋታት ይገብሩሎም ነበሩ፣ ንሲግሪድ በርግረን ከኣ ካብ መገሽአን ንኤርትራ ንከይምለሳ ስለ ዝተኸልከላ ንኣዲስ ኣበባ ከላግሳ ተገደዳ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ኣዋልድ ቤት ትምህርቲ ንክተኽላ ኸኣ ተበገሳ። ነቲ ዓቢ ስራሕ ንክዓምኦ ዝተሓባበረን ሰብ ስለ ዘድለየን ንመምህር ኣስቴር ወልደማርያም መረጻ። ምስ መምህር ኣስቴር ከኣ ኣብ ጸዓዘጋ ሓቢረን ሰርሓ። መምህር ኣስቴር ብ1925 እየን ንኣዲስ ኣበባ ተጉዒዘን። እቲ ሓዳሪ ቤት-ትምህርቲ ኣዋልድ ኣብ ዉሽጢ ማሕበረሰብ ምእመናን (መካነየሱስ) ብ1927 ተሰሪሑ ተወደአ። እቲ ስራሕ ኣብ ፈለማ ብ22 ሓደርቲ ደቂ ኣንስትዮን 6 ተመላለስቲ ተመሃሮን ስርሑ ጀመረ። ኣብ ልዕሊ ንቡር ትምህርቲ እተን ኣዋልድ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመሃራ ነይረን፣ ብተወሳኺ ኸኣ ኢደ-ጥበብ - ከም ፍትላ፣ ስፌት፣ ርክያሞ (ጥልፊ)፣ ፍዕሎ-ዘንቢል - ይመሃራ ነበራ። ኣብ ሳልሳይ ዓመቱ እቲ ቤት-ትምህርቲ ዓበየ - ን40 ሓደርቲ ተማሃሮ ከምህር ክኢሉ። ይዅን'ምበር፡ ኣብ ጊዜ ዉግእ (1935) እቲ ቤት-ትምህርቲ ስራሑ ከቋርጽ ተገደደ፣ እተን ሓደርቲ ተምሃሮ ኸኣ ነናብ ቤተን ተፋነዋ። እቲ ቤት ትምህርቲ ምስ ተዓጽወ እመቤት በርግረንን መምህር ኣስቴርን ንዉጉኣት ብምብጻሕን ንሕብረተሰብ ምእመናን ናይ ጸሎት ደገፈን እናሃባ ኣሕለፍኦ። ጣልያን ደፊኡ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ኣተወ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምእታው ነቲ ከተማ ኣዕለቕለቕዎ። ሽወደናውያን ነቲ ዋሕዚ ሰብ ክቈጻጸርዎ ኣይከኣሉን። ጣላይን ከኣ ንሽወዳናውያን ሰላም ኣይሃብዎምን። ሽወደናውያን ንክስደዱን ትካላቶም ክዓጽዉን ኸኣ ተገደዱ። ኣብቲ እዋን'ቲ መምህር ኣስቴር ምስ'ቶም ካብ ዉግእ ብህይወቶም ዝተመልሱ በዓል ቤተን፡ ኣቶ ገብረመድህን ሃብተዝጊ፡ ኰይነን ንምእመናን ኣኪቦም መዓልታዊ ናይ ጸሎት ኣኼባታት የካይዱ ነበሩ። መምህር ኣስቴር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠተን ኣዝዩ ልዑል ነይሩ፣ ኰይኑ ድማ ኣብ ማሕበረሰብ ምእመናን ተቐባልነት ስለ ዝነበረን ናይ መሪሕ ተራ ይጻወታ ነበራ። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብቲ መጽሓፍ ዛንትአን ብጽቡቕ ኣገባብ ቀሪቡ ይርከብ። ዘይቐሰና መምህር ኣስቴር ... እቲ ዘይምቕሳን ኣብቲ ፓስተር እዝራ ገብረመድህን ዘዳለውዎ 'ከኒሻ' ዘርእስቱ መጽሓፍ ብከፊል ንረኽቦ። \"ንሱ ብ1905 እዩ ተወሊዱ። ትምህርቲ ኸኣ ድንጕይ ኢሉ'ዩ ጀሚሩ፣ ጊዜኡ ኣብ መጓሰ የሕልፎ ስለ ዝነበረ። ዝዀነ ኰይኑ ትምህርቲ ምስ ጀመረ ብቕልጡፍ ከጽንዕ ጀመረ። ኣይጸንሐን፡ ትምህርቲ ስለ ዝነፍዐ ኣብቲ ብሚስዮናውያን ዝካየድ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ በለዛ ካብ 1927-1930 ተማሂሩ መምህር ንክኸውን በቕዐ። ክሳብ 1932 ከኣ ከም መምህር ኰይኑ ኣብ ኣስመራ ኣገልገለ። ብድሕሪኡ፡ ክሳብ 1935፡ ናብ ኣውሳ፡ ምድሪ ኩናማ ንከምህር ተላእከ። \"ኣብ ምድሪ ኩናማ ብሕማም ዓሶ ስለ ዝተጠቕዐ ኣሰር ሞይቱ ነይሩ። ሽዑ ብዛዕባ ተሞኵርኡ ኣብ ምድሪ ኩናማ ብምጽሓፍ፡ ጽንኩር ናብራ ከም ዝነበሮም፡ ናብቲ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ቤት-ጽሕፈት ይልእኽ ነበረ\" ይብሉ ፓስተር እዝራ። \"ዓሰርተ ዓመት ጸኒሑ መንገዱ ለዊጡ ንኤርትራ መጻኢኣ ንኽጽብቐላ ኣብ ሓድሽ ህይወት ኣተወ፡ እቲ ሓድሽ ህይወት'ቲ ግን ኣሰር ኣጥፊኡዎ ነበረ\" ኢሎም ይገልጹ። እቶም ፓስተር እዝራ ዝዛረብሎም ዘሎዉ ሰብ ኣቦይ ወልድኣብ ወልደማርያም ኢዮም። ኣቦይ ወልድኣብ፡ እቶም ዝለዓለ መዓርግ ኣቦነት ዘሎዎም ዜጋ፡ ንእሽቶ ሓወን ንመምህር ኣስቴር ወልደማርያም እዮም። መምህር ኣስቴር ንኣቦይ ወልድኣብ፡ ጓሳ ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ኮፍ ኣቢለን ፊደል ከቝጽርኦም ዝኸኣላ መምህር'የን። ኣቦይ ወልድኣብ ኣይሓመቑን፡ ፊደል ቈጺሮም፡ ኣብ ትምህርቲ ዓለም ኣትዮም መምህር ክኾኑ ዝበቕዑ ኣቦ'ዮም። ኣብ ምድሪ ኩናማ ይምህሩ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ምስ ሓንቲ ሲግነ በርግ ዝበሃላ ሽወደናዊት ዓላሚቶም ኰይኖም ዕላማኦም ንክዕወት ጸዓሩ። ብቋንቋ ጣልያን ብተርጓሚ ተሰንዮም ይምህሩ ከም ዝነበሩ ይንገር። ኣብኡ ከሎዉ ቋንቋ ሽወደን ተማህሩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ብግቡእ ኣጽንዑ። ካብ ኣውሳ ተመሊሶም ከኣ ኣብ ወንጌላዊት ቤት-ትምህርቲ ከም ሓለቓ ኰይኖም ኣገልገሉ። ኣብ ዓውደ ምምህርና ከለዉ እንግሊዝ ንጣልያን ስዒሩ ኣተወ። እንግሊዝ ነቲ ብቋንቋ ትግርኛ ዝዳሎ ሰሙናዊ ጋዜጣ ዘሰናዱ ሰብ ስለ ዝደለዩ ንኣቦይ ወልድኣብ መረጹ። እዚ እዋኑ ብ1941 ነበረ። ብእኡ ኣቢሎም ከኣ ኣብ ፖለቲካ ኣተዉ። እቲ ናይ ሽዑ ፖለቲካ ሓጸልጸል ዘብል ፖለቲካ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ምቕንጻል ህይወት ሰባት'ውን በጺሑ ነይሩ። ኣቦይ ወልድኣብ በቲ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝመርገጺኦም ዕላማ ኣብ ህይወቶም ናይ ሸውዓተ ጊዜ ፈተነ ቅትለት ተኻየደ። ብተደጋጋሚ ተወጊኦም ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቡን ወጽኡን። እዚ ኹሉ ፈተነ ንምሉእ ስድራ-ቤት የሳቕዮም ነበረ። ፓስተር እዝራ ከም ዝበሉዎ ኣዲኦም፡ መምህር ኣስቴር፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኰይነን ክሳቐያ ይዝከሮም። ብዕለት 13 ጥሪ 1953 ኣቦይ ወልድኣብ ብጥይት ተሃሪሞም ምስ ወደቑ ይድሕኑ ዚብል ሰብ ኣይነበረን። ጥይት ብሞንኩቦም ኣትያ ብክሳዶም ወጸት። እቶም ዝተኰሱሎም ክልተ ሰባት ሕጅስ ቀቲልናዮ ኢሎም ክብገሱ ኣቦይ ወልድኣብ ደርገፍገፍ እናበሉ ተንስኡ፣ እቶም ቀተልቲ ተመሊሶም ክልተ ጊዜ ተኲሶም ሰሓትዎም፣ ሰብ ክእከብ ምስ ጀመረ ሃደሙ። እቲ ወረ ቀልጢፉ ይዝርጋሕ ስለ ዝነበረ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበራ ዓባይ ሓብቶም ከይሰምዐኦ ተባሂሉ ተሓብአ። ይዅን'ምበር ጽንጽንታ ሰሚዐን ንበዓል ቤተን እቲ ሓቁ ክነግረን ለመንኦ፣ ሓቂ ምንባሩ ኸኣ ነገሩወን። \"ኣብቲ እዋን'ቲ ኣደይ በቲ ቀውሲ'ቲ ምስ እምነታ ኣፍጢጣ ገጠመት\" ይብሉ ቀሺ እዝራ። \"ኡይ ኢላ በኸየት ... ንምንታይ ክሳብ ክንድዚ ተሳቕየኒ ... ደጊም ዓብየን ደኺመን'የ ... እንታይ ክገብር ኢኻ ትደልየኒ\" እናበለት ኣምሪራ ክትበኪ ይዝከረኒ\" ይብሉ ቀሺ እዝራ። ኣቦይ ወልድኣብ ኣብ ሆስፒታል ብምዕቋብ ንሻብዓይ ጊዜ ደሓኑ። ኣይጸንሑን ንስደት ከምርሑ ተገደዱ። ኣብኡ ዀይኖም ከኣ ቃልሶም ቀጸሉ። መምህር ኣስቴር ንኣሽሓት ተመሃሮ ብግቡእ ዝመልመላ፡ ንደቀን ብኽንክን ኣዕብየን፡ ኣምሂረን ዓቢ ዓወት ዘጓናጸፋ ኣደ እየን። ኣብቲ ዝሰዓበ ክፋል ህይወተን ካብ መንፈሳዊ ክንክን ማሕበረሰብ መካነየሱስ ከቶ ከየዕረፋ ንሓደስቲ ምእመናን ብምቕባል፣ ንዝደኸሙ ብምትብባዕ፣ ንዝሓዘኑ ብምጽንናዕ፣ ንዝሓመሙ ብምብጻሕን ንዝተባእሱ ብምዕራቕን ኵሎም ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ኣብ ኣገልግሎት እምነቶም ንክውዕሉ ጸለያን ጐስጐሳን። መምህር ኣስቴር ወልደማርያም ዕድመ ጸጊበን ኣብ 100 ዕድሚኤን ከኣ ካብዛ ዓለም ተሰናበታ።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60277603"} {"headline":"ሞሮኮ፡ ድሕሪ ሞት ህጻን ርያን ኣብታ ሃገር ዘለዋ ኩለን ዒላታት መጽናዕቲ ከተካይደለን ወሲና","content":"ሰብ መዚ ሞሮኮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ርያን ዝተብሃለ ወዲ 5 ዓመት ህጻን ኣብ ሓደ ጸቢብ ዒላ ኣትዩ ድሕሪ ሙማቱ ንኹለን ኣብታ ሃገር ዘለዋ ዒላታት መጽናዕቲ ክካደለን ምዃኑ ገሊጾም። ወዲ 5 ዓመት ርያን 1 ለካቲት ከባቢ ሰዓት 2 ድሕቲ ቀትሪ'ዩ ናብ 35 ሴንቲ ሜተር ግፍሒ ጥራይ ዘለዎ ጸቢብ ዒላ ሸተት ኢሉ ኣትዩ። ኣብ 32 ሜትሮ ምስ ብጽሐ ተቓቂሩ፡ ህይወቱ ንምድሓን ሓሙሽተ መዓልታት ስርሒት ህይወት ኣድሕን'ኳ እንተተኻየደ ርያን ክድሕን ኣይክኣለን። ሰሉስ ዝኣተወ፡ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን፡ ብጎኒ እቲ ጸቡብ ዒላ ካልእ ገፊሕን ዓሚቕን ጉድጓድ ብምፍሓር ናብቲ ርያን ዝነበሮ መንቀራቕሮ ድሕሪ 4 መዓልታት እዮም ክበጽሑ ክኢሎም። እቲ መላእ ሞሮካውያንን ዓለምን ክከታተልዎ ዝቐነዩ ዜና ዘይከም ትጽቢት ኩሉ ሰብ፡ ርያን ብህይወት ክወጽእ ኣይክኣለን። ሚኒስትር ማይ ሞሮኮ ዓብልዓዚዝ ዝራውሊ፡ እቲ መጽዕእቲ ካልእ ተመሳሳሊ ሓደጋ ንኸየጋጥም ንምክልኻል ዝዓለም ምዃኑ ኣብሪሁ። እቶም ቅጥዕታት ከየማልኡ ዒላታት ዝኾዓቱ ሰባት፡ ነቶም ዒላታት ድሕነቶም ዝሓለዉ ንምግባር ዝግበር ወጻኢታት ካብ ጅቡኦም ክኸፍልዎ ምዃኖም ገሊጹ። ሚኒስተር ዓብደልዓዚዝ ዝራውሊ፡ ኣብ ሞሮኮ ዓመታዊ ልዕሊ 1000 ሰባት ዘይሕጋዊ ዒላ ብምዅዓት ከምዝቅጽዑ ኣብሪሁ።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60344058"} {"headline":"ኣብ ጣሻ ኣማዞን ዝጠፍኡ ቆልዑ ድሕሪ 4 ሰሙን ብህይወት ተረኺቦም","content":"ኣብ ጫካ ኣማዞን ምስጠፍኡ ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ሰሙን ኣለሻ ዝተረኸቡ ክልተ ኣሕዋት ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም፡፡ ደቂ ሸሞንተን ሽደሽተን ዝኾኑ ግላኮን ግሌሶን ፈሬራ፡ ለካቲት 18 [ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ] ኣብ ግዝኣት ኣማዞና ዝርክብ ጫካ ኣናእሽቱ ኣዕዋፍ ክሕዙ እንትፍትኑ እዮም ተሰዊሮም። እንተኾነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ፡ ሓደ ኣግራብ ዝቖርጽ ብኣጋጣሚ ብህይወት ረኺቡዎም። እቶም ቆልዑ፡ ብጥሜት ማሲኖም ዝቐነዩ ኮይኖም፡ ኣብ ሆስፒታል ኣትዮም ይእለዩ ኣለዉ። እቶም ሰገናት ምሰ ተሰወሩ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ነበርቲ ንሰሙናት ኣለሻ ወጺኦም ቀንዮም፤ እንተኾነ ቐቢጾሞም ነይሮም። ኣብቲ ከባቢ ወቕቲ ዝናብ ብምዃኑ፡ ነቲ ኣለሻ ከምዘኽበዶ እቶም ነበርቲ ይዛረቡ። ምኽንያቱ ኣብ ውሽጢ እቲ ጣሻ ምንቅስቓስ ኣዝዩ ደሪትዎም እዩ ቐንዩ ተባሂሉ። ኣመዞንያ ሪል፡ ዝተብሃለ ናይቲ ከባቢ መራኸቢ ብዙሃን ከምዝበሎ፡ ትካል ኣገልግሎት ሓደጋታት፡ እቲ ኣለሻ ብዕለት 24 ለካቲት ክቋረጽ ኣዚዙ እንተነበረ’ኳ፡ ነበርቲ ግን ኣለሻ ጠጠው ኣየበሉን። ዳርጋ ድሕሪ ኣርባዕተ ሰሙን ግና፡ ሓደ ኦም ዝቖርጽ ስብኣይ፡ ካብቲ ስድረኦም ዝነብርሉ ኣስታት 6 ኪሎሜትሮ ርሒቖም ረኺቡዎም። ሓደ ካብቶም ቆልዑ፡ ናይ’ቲ ዝቑረጽ ኦም ድምጺ ምስ ሰምዐ ናይ ርድአና ኣውያት ኣስሚዑ። ካብኡ፡ እቲ ስብኣይ ናብቲ ድምጺ ዝሰምዐሉ ከባቢ ተንቀሳቐሱ፡ እቶም ክልተ ቖልዑ ኣብ ባይታ ተሰጢሖም፣ ጠምዮምን ምሒር ደኺሞምን ረኺብዎም። ቆርበቶም ድማ ተመላሊጡ ከምዝነበረ እቲ ሚድያ ጸብጺቡ። እቲ ሚድያ ወሲኹ ከምዝብሎ፡ እቶም ቆልዑ ካብቲ ዝጠፍእሉ መዓልቲ ጀሚሩ፡ ዝኾነ ዝብላዕ ከምዘይረኸቡን ናይ ዝናብ ማይ ጥራይ እናሰተዩ ከምዝቐነዩን ንስድረኦም ተዛሪቦም። ግላኮን ግሌሶንን፡ ምስተረኸቡ ቐጥታ ማኒኮር ናብ ዝተብሃለ ናይቲ ከባቢ ሆስፒታል ተወሲዶም ዝነበሩ ኾይኖም፡ ጸኒሖም ድማ ብሄሊኮፕተር ማናውስ ናብ ዝተብሃለ ዝሓሸ ሆስፒታል ተወሲዶም ኣለዉ ክብል፡ ግሎቦ ዝተብሃለ መራኸቢ ብዙሃን ጸብጺቡ። ኣብ ጫካ ኣማዞን ሰባት ክጠፍኡ ንመጀመርታ ግዜ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥሪ፡ ሓደ ኣንቶንዮ ሰና ዝተብሃለ ኣብራሪ ነፋሪቱ ብሓደጋ ምስ ወደቐቶ፡ ንልዕሊ 36 መዓልቲታት ጠፊኡ ቀንዩ ነይሩ። ኣብ 2008 ድማ፡ ሓደ ንሃደን ዝወጽአ ቆልዓ፡ ንልዕሊ 50 መዓልታት ጠፊኡ እንተተረኽበ’ኳ፡ ሽዑ ንሽዑ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ኣማዞንያ ሪል ዝተብሃለ ሚድያ ጸብጺቡ ነይሩ።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60790780"} {"headline":"ሞሮኮ፡ 32 ሜትሮ ዕምቆት ናብ ዘለዎ ዒላ ዝኣተወ ቆልዓ ንምድሓን ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ","content":"ኣብ ሞሮኮ ብሰሉስ ናብ 32 ሜትሮ ዕምቆት ዘለዎ ጉድኣድ ኣትዩ ዝተቐርቀረ ቆልዓ 5 ዓመት ንምውጻእ ዝግበር ዘሎ ሰፊሕ ጻዕሪ ከምዝቐጸለ ተሓቢሩ። ሰበስልጣን እታ ሃገር ከምዝገለጽዎ፡ ነቲ ኣብ ጥቓ ቸፍቻወዬን ዝተብሃለት ከተና ናብ ዝርከብ ጸቢብ ግን ድማ ዕምቆት ዘለዎ ጉድጓድ ዝኣተወ ህጻን ንምውጻእ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ናብ ምዝዛም ገጹ በጺሑ’ሎ። ወዲ 5 ዓመት ራያን ኣብቲ ከባቢ ይጻወት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናብቲ ጉድጓድ ከምዝኣተወ ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን። ናብቲ ኣዝዩ ጸቢብ መእተዊ ዘለዎ ጉድጓድ ንዝኣተወ ህጻን ራያን ንምውጻእ ዝግብር ጻዕሪታት ካብ ዝሓለፈ ሰሉስ ምሸት ዝጀመረ ኮይኑ፡ ክሳብ ሎሚ ዓርቢ ቀጺሉ ይርከብ። ወሃቢ ቓል መንግስቲ እታ ሃገር ሙስጠፋ ባይታስ “ነቲ ህጻን ናይ ምድሓን ስራሕና ናብ ምዝዛም ገጽ በጺሑ’ሎ። ቀልብና ኩሉ ምስ ስድራ እቲ ቆልዓ እዩ። ተመሊሱ ከምዝራኸቦም ኢና ጸሎት ንገብር ዘለና” ክብል ትማሊ ሓሙስ ተዛሪቡ። እቲ ኣብ ጉድጓድ መዓልታት ዘቑጸረ ቆልዓ ብዘይካ’ቲ ክወድቕ ከሎ ኣብ ርእሱ ዘጋጠሞ ቀሊል ማህሰይቲ፡ ብህይወቱን ምስ ውኒኡን ከምዝርከብ ናብ ታሕቲ ብዝተልኣኸ ካሜራ ዝተቐድሐ ቪድዮ ኣረጋጊጹ’ሎ። ሰራሕተኛታት ምድሓን ነብሲ ናይ ‘ኦክስጅን ማስክ’፣ ምግብን ማይን ናብቲ ቆልዓ ዝለኣኹሉ ኮይኖም፡ ሰብሞያ ጥዕና’ውን ኣብቲ ቦታ ኮይኖም ይጽበዩ ምህላዎም ተፈሊጡ። ምስወጸአ ብቕልጡፍ ናብ ሆስፒታል ንኽበጽሕ ድማ ሄሊኮፕተር ተዳልያ ኣላ። እቲ ህጻን ኣብ ውሽጢ 32 ሜትሮ ዕምቆት ዘለዎ ጉድጓድ ኮይኑ ዝገብሮ ምንቅስቓስን ዝርከበሉ ኩነታትን ዘርእይ ቪድዮ ኣሽሓት ሰባት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ይቀባበልሉ ኣለዉ። ካልኦት ብዙሓት’ውን ብኣካል ናብቲ ቦታ ከይዶም ይከታተልዎ ምህላዎም ተፈሊጡ። ሰባት ናብቲ ጉድጓድ ብምእታው ነቲ ቆልዓ ከድሕንዎ ዝተገበረ ፈተነ ክሰምር ዘይከኣለሉ ምኽንያት ከኣ፡ ስፍሓቱ 25 ሴንቲሜትር ጥራሕ ብምዃኑ ስለዝጸበበ’ዩ ተባሂሉ። ኣብቲ ቦታ ዝርከባ ቡልዶዘራት ኣብ ጎኒ እቲ ጉድጓድ ክኹዕታ ዝረኣያ ኮይነን፤ ዛጊት 24 ሜትሮ ተፋሒሩ’ሎ። ዝተወሰነ ሜትሮታት ከምዝተረፎም ሰራሕተኛታት ምድሓን ነብሲ ኣፍሊጦም ኣለዉ። ኣብ ጎኒ እቲ ህጻን ዝርከበሉ ጉድጓድ ካልእ ጉድጓድ ብምፍሓር ዝግበር ዘሎ ጻዕሪታት ምድሓን ነብሲ ምናልባት እውን ምፍራስ ሓመድ ከጋጥም ስለዝኽእል፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ህጻን ክስዕብ ዝኽእል ጉድኣት ከይህልው ስግኣቶም ዝገለጹ ሰበስልጣን’ውን ኣለዉ። ኣብዚ እዋን እቲ ጉዳይ ኣብቲ ዞባ ዓብዪ ቆላሕታ ዝረኸበ ኮይኑ፤ ጎረቤት ኣብ ዝኾነት ኣልጀሪያ ሓዊሱ ‘ሃሽታግ ሴቭ ራያን’ [#SaveRayan] ዝብል ወፍሪ ማሕበራዊ መራኸብታት ብስፍሓት ተዘርጊሑ ይርከብ።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60256009"} {"headline":"ብዓለልፈለል ናብ ሰማይ ዝተወንጨፈ ስሪላንካዊ ሓሳረ መከርኡ ርእዩ","content":"ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ስሪላንካ ገለ ኣዕሩኽ መንእሰያት ዓለልፈለል ናብ ሰማይ ንምብራር እንዳፈተኑ እንከለዉ ብርቱዕ ንፋስ ብምንባሩ ሓደ ካብኣቶም ተጎቲቱ 12 ሜትሮ ኣብ ኣየር ተንጠልጢሉ። መሓዙቱ ድሕሪ ዝገበርዎ ነዊሕ ጻዕሪ ናብ መሬት ክምለስ እንከሎ ብዙሕ ጉድኣት ከምዘይበጽሖ ተገሊጹ።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60079227"} {"headline":"ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ዘይልእኹ ወለዲ ክእሰሩ ምዃኖም ተገሊጹ","content":"ኣብ ታንዛንያ ከተማ ዶዶማ ዝቕምጡ ወለዲ ካብ ዝቕጽል ሰሙን ጀሚሮም ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ዘይልእኹ እንተድኣኾይኖም ከምዝእሰሩ ሓደ በዓል ስልጣን ኣጠንቂቑ። ዋና ኣመሓዳሪ ከተማ ዶዶማን ዙርያኣን ኣንቶኒ ምታካ ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ክውሕዙ ትጽቢት ዝተገበረሎም ቁጽሪ ተመሃሮ ስለዝወሓደ ብምቑጥዑ'ዩ ናብዚ ውሳነ በጺሑ ዘሎ። ትማሊ ዓርቢ ኣብታ ከተማ ካብ ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ሓዲኤን ተረኺቡ ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ እዋን ቁጽሪ ተመሃሮ ኣመና ስለዝወሓደ እዩ ደቆም ኣብ ልዕሊ ዘይልእኹ ወለዲ ስጉምቲ ክውሰድ ምዃኑ ዝተዛረበ። ኣብታ እቲ ዋና ኣመሓዳሪ ምብጻሕ ዘካየደላ ቤት ትምህርቲ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ክርከቡ ትጽቢት ካብ ዝተገበረሎም 165 ተመሃሮ 67 ጥራይ እዮም ተረኺቦም። ከም ሳዕቤኑ ዝኾረየ ዋና ኣመሓዳሪ ኣንቶኒ ምታካ፡ ወለዲ ካብ ዝቕጽል ሰሙን ጀሚሮም ደቆም ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ክልእኹዎም እንተዘይኮይኑ ግን ክእሰሩ ምዃኖም ኣጠንቂቑ። ወለዲ “ንስኻትኩም ደቅኹም ናብ ቤት ትምህርቲ ክትሰድዎም እንተዘይኪኢልኩም ኣነ መምሃሪ ክፍልታት ክሃንጽ ኣይክእልን። ካብ ሎሚ ድሕሪ ሰዓት 4 ጀሚረ ገዛ ገዛ እንዳዘወርኩ እቶም ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ዘይልእኹ ወለዲ ከኣስሮም’የ” ኢሉ። ዋና ኣመሓዳሪ ግዝኣት ዶዶማ ካብ ደጊም ኣብ ልዕሊ ትምህርቶም ዘብኩሩ ተመሃሮ ዓቕሊ ከምዘይህልዎን ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑን ተሓንዩ’ሎ። ኣብ ታንዛንያ ምስ ምብሓት ሓድሽ ዓመት ፈረንጂ ተዛሚዱ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ካብ ዝጅመር ክልተ ሰሙን’ኳ እንተሓለፈ ቁጽሪ ናብ ቤት ትምህርቲ ዝውሕዙ ዘለዉ ተምሃሮ ግን ኣይ ከምቲ ትጽቢት ዝተገበረሉን። ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ድማ ወለዲ መዓልታዊ ናብርኦም ንምምሕያሽ ደቆም ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ የዋፍርዎም ከምዘለዉን ኣብ እንዳ ሰብ ተቖጺሮም ንኽሰርሑ ይገብርዎም ስለዘለዉ ክኸውን ከምዝኽእል ይእመን።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60181016"} {"headline":"መሸጣ ፎርሙላ ጸባ ንህጻናት ኣፍሪቃ ይጎድእ ኣሎ - መጽናዕቲ","content":"ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ኣብ ናይጄሪያ ካብ ዝርከባ ሓደሽቲ ኣዴታት ኣስታት ፍርቂ፣ ካብ ሓሙሽተ እተን ክልተ ኣዴታት ሞሮኮ ከምኡ’ውን ልዕሊ ሕምሺት ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኣዴታት ንደቀን ፎርሙላ ጸባ [ሰብ ዝሰርሖ ጸባ] ክህበኦም ከም ዝገበሩ ተገሊጹ። እዚ ውድብ ጥዕና ዓለምን ፈንድ ህጻናት ዩኒሴፍን ብሓባር ዘካየዱዎ መጽናዕቲ ብሰንኪ እዞም ምህርታት ጥዕና ህጻናት ይጉዳእ ከም ዘሎ ይሕብር። ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም’ውን “እቲ ጸብጻብ ብግልጺ ከም ዘርእዮ መሸጣ ጸባ ፎርሙላ ቕቡልነት ብዘይብሉ መልክዑ ተስፋሕፊሑ ብብዝሕን ብዘጋግን መገዲ ይሽየጥ ኣሎ” ክብል ነቒፉ። ሰብ ሞያ ጥዕና ናይጄሪያን ሞሮኮን ኣብ ህዝባውን ናይ ውልቂ ትካላት ጥዕናን ብግልጺ ምስ ኩባኒያታት ጸባ ፎርሙላ ህጻናት ክርኣዩ ልሙድ እዩ። እቲ ጸብጻብ ን8500 ስድራቤታትን ነፍሰጾር ኣዴታትትን ከምኡ’ውን ኣብ ባንግላድሽ፣ ቻይና፣ ሜክሲኮ፣ ሞሮኮ፣ ናይጄሪያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ብሪጣኒያን ቬትናምን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓለም ዝርከቡ 300 ሰራሕተኛታት ጥዕና ክሳተፉ ገይሩ። “ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዕድጊት ስነ ምግባር ወጻእ ዝኾነ መሸጣ ፎርሙላ ጸባ ንምክልኻል ኣብ ዙርያ ጡብ ምጥዋብ ጠንካራ ፖሊሲታትን ሕግታትን ክወጽኡን ኣብ ምጥዋብ ኣዴታት ኢንቨስት ክግበርን ኣለዎ። ብተወሳኺ ቤተሰበን ንምዕባይ ዝሕግዘን መረዳእታ ከም ዝረኸባ ክረጋገጽን እኹል ሓበሬታን ቤተሰበን ንምዕባይ ዝሕግዘን ሓገዝን ክረኽባን ይግባእ” ክትብል ዋና ዳይሬክተር ዩኒሴፍ ካትሪን ሩሴል ተዛሪባ። ጸባ ጡብ ኣደ ንጥዕናን ዕብየትን ህጻናት ኣገዳሲ ዝብሃል እዩ። እዚ ውሑስ፣ ጽሩይን ኣብ ቖልዑት ዝተለምዱ ሕማማት ንምክልኻል ዘኽእሎም ‘ኣንቲ ቦዲን’ ዝሓዘ እዩ። ውድብ ጥዕና ዓለም ሓደሽቲ ዝተወልዱ ህጻናት ጥዕንኦምን ሃለዋቶምን ንምርግጋጽ ብውሑድ ንሽዱሽተ ወርሒ ካብ ጸባ ጡብ ኣዲኦም ወጻእ ካልእ ክወስዱ ከም ዘይብሎም ይምዕድ። ጸባ ጡብ ረኺቦም ዝዓብዩ ህጻናት ዝሓሸ ናይ ኣእምሮ ክእለት ከም ዝህልዎም፣ ንልዕሊ ዓቐን ርጉዲን ሕማም ሽኮርን ናይ ምቅላዕ ተኽእሎኦም ዝነከየ ከም ዝኾነን ሰብ ሞያ ይገልጹ። እተን ዘጥቡዋ ኣዴታት’ውን ንመንሽተሮታት ጡብን ማህጸንን ናይ ምቅላዕ ዕድለን ዝነከየ እዩ።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60503993"} {"headline":"ርያን፡ ዘሕዝን ፍጻመ እቲ ኣብ ጉድጓድ ኣትዩ ዝቐነየ ሞሮካዊ ህጻን","content":"ንኣርባዕተ መዓልቲታት ኣብ ዓᎁቕን ጸቢብን ማይ ዘይነበሮ ዒላ ኣትዩ ዝቐነየ ወዲ 5 ዓመት ሞሮካዊ ብህይወት ንምትራፍ ዝተገረበረ ጻዕሪ አይሰመረን፡፡ እቲ ህጻን ድሕሪ ከቢድ ርብርብ ትማሊ ምሸት ምስወጸ እዩ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ቤት ጽሕፈት ቤተ መንግስቲ እታ ሃገር ዘፍለጠ፡፡ እቲ ርያን ዝተባህለ ህጻን ንምውጻእ ዝተገበረ ጻዕሪ ንህዝቢ እታ ሃገር ኣዝዩ ኣጨናቒ ዝነበረ ኮይኑ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ጥቓ እቲ ጉድጓድ ኮይኖም ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ድማ ብመርበብ ሓበሬታ ይከታልዎ ነይሮም፡፡ ርያን በጸቢብ ኣፍ እቲ ጉድጓድ ሰሊኹ እዩ ናብቲ 32 ሜትር ቁመት ዘለዎ ዒላ ኣትዩ፡፡ እቲ ናይ ምውጻእ ምንቅስቓስ ብሰንኪ ስግኣት ምህማም መሬት ተቛሪጹ ነይሩ፡፡ ትማሊ ምሸት ግና ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት፡ ካብቲ ጉድጓድ ከውጽእዎ ክኢሎም፡፡ ኣብቲ እዋን ኩነታት እቲ ህጻን ዝምልከት መግለጺ ኣይተውሃበን፤ ብዙሓት ሰባት ግና ታሕጓሶም ይገልጹ ነይሮም፡፡ በፍላይ ኣብ ማሕራዊ ሚድያ ‘#ሴቭርያን’ ዝብል ሃሽታግ ብምኽፋት ክጉስጉሱ ዝቐነዩ ዜጋታት እታ ሃገርን ወጻእን ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ሓጎሶም ክገልጹ ኣምስዮም፡፡ ኮይኑ ግና ድሕሪ ደቓይቕ ርያን ከምዝዓረፈ ዝገልጽ ልቢ ዝሰብር ዜና ተሰሚዑ፡፡ ተጠቀምቲ ትዊተር በቲ ዝጀመርዎ ሃሽታግ ኣቢሎም ሓዘኖም ክገልጹ ኣምስዮም፡፡ ካብ ቤተ መንግስቲ እታ ሃገር ዝወጸ መግለጺ ድማ ንጉስ መሓመድ ሻድሻይ ብሞት እቲ ህጻን ኣዝዩ ከምዝሓዘነን ንስድርኡ ስልኪ ደዊሉ ከምዘጸናነዖምን ይሕብር፡፡ ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ሰሉስ መዓልቲ፡ ኣቡኡ ንርያን ኣብቲ ጉድጓድ ናይ ጽገና ስራሕቲ ይሰርሕ ነይሩ፡፡ ‘‘ናብ ካልእ ቆላሕ ኣብ ዝበልኩላ ቅጽበት ጸዲፉ’’ ክብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ፡፡ ብሓሙስ ካብቲ እቲ ህጻን ዝነበረሉ ጉድጓድ ዝተረኸበ ምስሊ ብህይወትን ንቕሓትን ምንባሩ የመልክት፤ ድሕሪኡ ግና ብዛዕባ ኩነታቱ ዝተባህለ ነገር ኣይነበረን፡፡ ሰራሕተኛታት ህይወት ምድሓን ኦክስጅን፣ ምግብን ማይን ናብቲ ህጻን ከብጽሑሉ ይፍትኑ ነይሮም፤ እቲ ህጻን ተጠቒሙዎም እንተኾይኑ ግን ኣይተፈለጠን፡፡ እቲ ዒላ ዝተኹዓተሉ መሬት፡ ሕዋስ ከውሕን ሓሸዋን ምዃኑ ነቲ ጉድጓድ ክገፍሕ ምግባር ሓደገኛ ከምዝገበሮ እቶም ሰራሕተኛታት ገሊጾም ነይሮም፡፡ ነዚ ድማ ፈሓርቲ ተጠቒሞም ኣብ ጎኒ እቲ ዒላ ካልእ ገፊሕ ጉድጓድ ኩዒቶም፡፡ ብድሕሪኡ ካብቲ ሓድሽ ጉድጓድ ናብቲ እቲ ህጻን ዝነበረሉ ዒላ ንጎኒ ፍሒሮም ኣትዮም፡፡ መሬት ከይሃምም ብዝነበረ ስግኣት ብተደጋጋሚ፡ ንዝተወሰነ እዋናት፡ ስራሕቲ ምድሓን ህይወት ደው ይብል ነይሩ፡፡ ነቲ ከይዲ ዝዕዘቡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብቲ ከባቢ ኮይኖም ሃይማኖታዊ መዝሙራት ይዝምሩን ይጽልዩን ቀኒዮም፤ ገሊኦም እውን ኣብቲ ከባቢ ይሓድሩ ነይሮም፡፡","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60277673"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ረድኤት ዝጽዓና መካይን ክንቀሳቐሳ ሓቲቱ","content":"ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤትን ሓደጋን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፊትስ ረድኤት ዝጽዓና መካይን ናብ ትግራይ ክንቀሳቐሳ ሓቲቱ። እቲ ሓላፊ ኣብ ትግራይ ጥምየት ጉድኣት የስዕብ ኣሎ ኢሉ ከም ዝግምት'ውን ንሮይተርስ ተዛሪቡ። ናብታ ኣብ ትሕቲ ወግዓዊ ዘይኮነ ዕግታ እትርከብ ትግራይ ክበጽሕ ካብ ዝግብኦ ቐረብ ሰብኣዊ ረድኤት 10 ሚኢታዊት ጥራሕ ሓገዝ ንዘድልዮም ሰባት ከም ዝበጽሐ ሓቢሩ። ማርቲን ግሪፊትስ ወሲኹ፡ ሕትኡ እተን ረድኤት ዝጽዓና መካይን ንክንቀሳቐሳ ክፍቀደለን ምዃኑ ነቲ ማዕኸን ዜና ገሊጹ። \"እዚ ሰብ ሰራሕ ጥሜት'ዩ፤ መንግስቲ ብዝወስዶ ስጉምቲ ክኣ ክመሓየሽ ይኽእል\" ክብል ተዛሪቡ። ቅድሚ ዓሰርተ ኣዋርሕ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራልን መሪሕነት ትግራይን ብዝተላዕለ ጎንጺ ኣማኢት ኣሽሓት ከም ዝሞቱ ከምኡ'ውን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ሚሊዮናት ዜጋታት ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘድልዮም ብተደጋጋሚ ክግለጹ ጸኒሑ። \"400 ሽሕ ሰባት ዓጸቦ ኣብ ዝመስል ኩነታት ይርከቡ ክንብል ገሊጽና ነይርና፤ እዚ ግምት ረድኤት ክበጽሖም እንተዘይክኢሉ ድማ ንዓጸቦ ክቃልዑ ይኽእሉ'ዮም ዝብል'ዩ\" ብምባል ከዘኻኽር እንከሎ ኣብ ትግራይ ሕጽረት ጥረ ገንዘብን ነዳድን ከምኡ'ውን ወግዓዊ ዘይኮነ ዕግታ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘሎ ገሊጹ። ካብዚ ብዝብገስ \"ከምዚ ዝበለ ነገር [ዓጸቦ] ኣጋጢሙ'ዩ ኢለ ክግምት ኣለኒ\" ክብል ተዛሪቡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ረድኤት ንከይበጽሕ ዝኽልክል ዕግታ ከም ዘይገበረ ብምግላጽ፡ ናብቲ ክልል ረድኤት ብቕልጡፍ ንክበጽሕ እቶም መፈተሺ ጣብያታት ካብ ሸውዓተ ናብ ክልተ ክወርዱ ከም ዝገበረ ይገልጽ። ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት፡ መንግስቲ እተን ናብ ትግራይ ዝኣተዋ ረድኤት ዝጽዓና መካይን ዘይምምላሰን ጥርጣረ ፈጢሩለይ'ዩ ብምባል ሚኒስትሪ ሰላም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ \"ብጭቡጥ ካብ ዕላምአን ወጻእ ከም ዘይተዋፈራ መረጋገጺ ዝህብ ኣካል ኣይተረኽበን\" ምባሉ ይዝከር። መራሕቲ ትግራይ ነዚ ኣመልኪቶም ካብ መንግስትን ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያን ዝቐረበ ጥርጣረን ስክፍታን ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እተን መካይን ክምለሳ ዘይከኣላ ብምኽንያት ሕጽረት ነዳድን ኣብ ከባቢ ዓፋር ኣብ ልዕሊ መራሕቲ መኪና ብዝበጽሕ ምንግልታዕን ምዃኑ ኣብሪሁ። ብተወሳኺ ተጋሩ መራሕቲ መኪና ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ቀይዲ ዝውዓልሉ ኣጋጠዓሚ ከም ዝነበረ ኣመልኪቱ። ኣብ ርእሲኡ መጠን እቲ ክሕዙዎ ዝኽእሉ ገንዘብ ድሩት ስለ ዝኾነን ምስ ተመለሱ'ውን ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ባንኪ ብዘይምህላዩ ገንዘብ ዘይረኽቡ ምዃኖምን ገሊጹ። ግሪፊትስ'ውን እተን ረድኤት ጽዒነን ዝኣተዋ መካይን ዘይምምላሰን ኣብ ስራሕ ሰብኣዊ ረድኤት ማሕለኻ ከም ዝፈጠረ ብምሕባር፡ እቶም መራሕቲ ኮነ እተን መካይን \"ካብ ትግራይ ክወጽእሉ ዘኽእል ነዳድን ድልየትን ዘይክህልዎም ይኽእል'ዩ። ግን ድማ ኣብ ስራሕትና ጸገም ይፈጥር ኣሎ\" ክብል ተዛሪቡ። ቤት ጽሕፈት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ 61 መካይን ካብ ትግራይ ከም ዝተመለሳን ኣብ ቀጻሊ'ውን ተወሳኺ መካይን ክወጽኣ'የን ኢሉ ትጽቢት ከም ዝገብርን ትማሊ ብትዊተር ሓቢሩ። ብምኽንያት አቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኣብ ትግራይ 5.2 ሚሊየን ህዝቢ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ይጽበ ኣሎ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዝኾኑ ህጻናት ብዝገበሮ ክትትል 22.7 ሚኢታዊት ሕጽረት ዝተመጣጠነ መግቢ ከም ዘጋጠሞም ኣረጋጊጹ። ካብ 11 ሽሕ ነፍሰ ጾር ወይ'ውን ዘጥቡዋ ኣደታት ድማ እተን 70 ሚኢታዊት ንልዑል ሕጽረት መግቢ ተቓሊዐን ኣለዋ ኢሉ። ማርቲን ግሪፊትስ ድማ እዚ ሕጽረት መግቢ ብ2011 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ሶማሊያ ኣጋጢሙ ምስ ዝነበረ ዓጸቦ ኣነጻጺሩዎ ኣሎ።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58730610"} {"headline":"ስነ ልቦና፡ ቘልዓ ምውላድ የርዕድ ድዩ?","content":"ሂዘር ማርኩስ እተባህለት ጓል 37 ዓመት፡ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ንበኹሪ ውላዳ ነፍሰ ጾር እንከላ ካልኦት ቖልዑ ትወልድን ትደጋግምን ይመስላ ነይሩ። በዓል ቤታ'ውን ተመሳሳሊ እምነትን ድሌትን ነይሩዎ። \"ልዕሊ ሓደ ቖልዓ ክንወልድ ኢና ዝብል ሓሳብ ነይሩና\" ትብል እታ ኣብ ካናዳ እትነብር ሚዘር። ሕጂ ወዶም ተመሃሪ ቐዳማይ ደረጃ እኳ እንተሎ ካልእ ሓው ወይ ሓፍቲ ግን ኣይወልዱሉን። \"ንሓደ ውላድና ጽቡቕ ህይወት ክንህቦ ንኽእል ኢ። ቖልዑ እንተወሲኽና ግን እቲ እንህቦ ደረጃ ህይወት ክጎድል'ዩ\" ኢላ። ዋላ እውን ናይ ክልቲኦም ደሞዝ ተደሚሩ፡ ቖልዓ ንምዕባይን ቁሩብ ገንዘብ ንምዕቛርን ኣጸጋሚ ስለ ዝኾኖም፡ ብሓደ ሸነኹ ፋይናንሳዊ ኣብ ዝኾነ ውሳነ በጺሖም። ብተወሳኺ ሕጽረት ሓገዝን ብዛዕባ መጻኢ ካብ ዝህሉ ምጥርጣራትን ዝብገስ እዩ። \"ተወሳኺ ቖልዓ ክትጻወሮ ዘይትኽእል ሸከም'ዩ ዝመስለኒ። ዝኾነ ሰብ ዘዕብዮ ስድራ ሸከም መሲሉ ክስምዖ ኣይደልን'ዩ። ግን ከኣ ንሓንሳብ ሓደ ቖልዓ ንምዕባይ እነፍስሶ ንዋይን [ሞራላዊ ደገፍን] ኩሉ ከቢድ'ዩ ኢልና ንሓስብ። ገለ ኣባላት ስድራቤትና ብምርጫና ሕጉሳት ኣይኮኑን፤ ግን ሕጂ ዓለም ዝተፈለየት እያ\" ትብል። ዓለምለኻዊ መጠን ወሊድ ይጎድል'ዩ ዘሎ። ካብ 1950 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ጀሚሩ ዓለምለኻዊ መጠን ወሊድ ይጎድል ምህላው ሓደ ኣብ ዋሽንግተን ዝመደበሩ ዘይመንግስታዊ ቤት ጽሕፈት ብዝሒ ህዝቢ ብምውካስ ዝኣከቦ መረዳእታ የመልክት። ኣብ 1990 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጓል ኣንስተይቲ 3.2 ዝነበረ መጠን ዓለም ለኻዊ ወሊድ ኣብ 2021 2.3 ኮይኑ። እቲ ማእከል መጽናዕቲ ፒው ዘካየዶ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ ኣብ ኣመሪካ ካብ 18 ክሳብ 49 ዓመት ዘለው ቖልዓ ናይ ዘይብሎም ሰባት ሚኢታዊት ይውስኽ ኣሎ ይብል። ኣብ ዓመት 2021 ኣብ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳ፡ መጠን ወሊድ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጓል ኣንስተይቲ ብ2.1 ትሒቱ ተራእዩ። ብሓፈሻ ዓመተ 2021 ኣብ ኩለን ሃገራት ዝወሓደ መጠን ወሊድ ዝተራእየላ ዓመት ኮይና ሓሊፋ። መንእሰያት ስለ ምንታይ'ዮም ሰፊሕ ስድራ ቤት ንከይህልዎም ሰጋእ መጋእ ዝብሉ፡ ዝብል ሕቶ ብግልጺ ከተቐምጦ ኣጸጋሚ'ዩ። ፋይናንሳዊ ርግኣት ምርግጋጽ፡ ሎሚ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣጸጋሚ'ዩ። ሓደ ካብ ዓሰርተ ጥሮታ ዘይወጽኡ ኣመሪካውያውያን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ፋይናንሳዊ ዓቕሞም ክመሓየሽ እዩ ዝብል ተስፋ የብሉን። ኣብ ኤውሮጳ እውን ዝቕባበ ዋጋ ንከየጋጥም ይስጋእ። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝርአ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ዘይምርግጋእን ከምኡ'ውን ክሊማዊ ቅልውላው ካብ ዓቐን ንላዕሊ እዩ። ካብዚ ብምብጋስ መጻኢ እንታይ'ዩ ክኸውን ዝብል ምስሊ ክህልወካ ከቢድ'ዩ። ፕሮፌሰር ስነ ህዝቢ ዩኒቨርሲቲ ፍሎረንስ ዳኒኤል ቪንጎሊ \"ሕምብርቲ ናይቲ ጉዳይ ካብ ጥርጣረ ዝነቅል'ዩ፤ ናህሪ ናይቲ ምቅይያራት እናወሰኸ ብምምጽኡ ሰባት መጻኢ ህይወቶም ክንበዩ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ይገብሮ ኣሎ\" ኢሉ። ድሕሪ እቲ ብ2008 ዓ.ም ዘጋጠመ ቁጠባዊ ዝሕታለ፡ ሽቕለት ኣልቦነት ክውስኽ እንከሎ፡ ኣብ ኢንዳስትሪታት ጽልዋ ኣየሕደረን። \"እቶም ኣብ ትሑትን ማእከላይን ደረጃ እቶትን ዝነበሩ ሰባት ዝነበሮም ጽቡቕ ስራሕ ጎዲሉ'ዩ፤ ንኣብነት ኣብ ማሕበራት ሕብረት ስራሕ፣ ህንጸት፣ ማኑፋክቸሪንግ ነቶም ትሑት ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎም ሰባት ሕማቕ ኣይነበረን\" ይብሉ ሰብ ሞያ። ብ2019 ንማኑፋክቸሪንግ ሓዊሱ ኣብ ኣመሪካ ዝተኻየደ መጽናዕቲ እቲ ዘጋጠመ ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ሓፈሻዊ መጠን ወሊድ ጽልዋ ከም ዘሕደረ የመልክት። ብኻልእ ወገን፡ ብፍላይ እቶም ኣብ ሃገራት ወጻኢ ብተለምዶ ብፈረቓ ዝስርሑ ከም መድሕን ጥዕናን ክንክን ቖልዑን ዝኣመሰሉ ነገራት ሓገዝ ስለዘይግበረሎም ብዛዕባ ቖልዓ ምውላድን ምዕባይን ዝምልከቱ ውሳነታት ይጸልውዎም እዮም። ኣብ ቀረባ እዋን ሙሁራት ዩኒቨርሲቲ ሳውዝኣምፕተን ዘካየዱዎ መጽናዕቲ ብዙሓት ሰባት ቖልዓ ቅድሚ ምውላዶም ናይ ባዕሎም ገዛ ክህልወና'ዩ ዝብል ርጉጽ ዘይኮነ ግምት ከም ዝሕዙ የርኢ። እቲ ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ከኣ ነቶም መንእሰያት፡ ንቕድም ገዛ ምግዛእ'ዶ ቖልዓ ምላድ ኣብ ዝብል ነገር ከምዝዋጠሩ ይገብሮም። ማርኩክስ ዝተባህለት ጓለንስተይቲ፡ ብሰንኪ'ቲ ገዛ ንምውናን ንባንክ እትኸፍሎ ናይ ልቓሕ ገንዘብ\/ ሞርጌጅ ካብ ሓደ ንላዕሊ ቖልዑ ንከይትወልድ ምኽንያት ከም ዝኾና ትዛረብ። እቶም ቁጠባዊ ስግኣታት፡ ፖለቲካውን ዘይምርጋእን ህዛባዊ ናዕብን ተወሲኹዎም ሰባት ኣብ መጻኢ ጎንጽን ዘይምርግጋእን ክዓቢ'ዩ ብዝብል ስግኣት ቖልዑ ክወልዱን ከብዝሑን እቲ ኣብ ሚዲያታት ዝጋዋሕ ሓበሬታታት ከኣ ነቲ ነገር ብዝያዳ ከምዘፍርሖም ክኢላታት ይዛረቡ። ኲናትን ፖለቲካዊ ጉዳያትን ዋላ'ውን ንዘመናት ምስ ወዲ ሰብ ዝነበሩ እንተኾኑ፡ ኣብዚ እዋን ስድራቤታት ዓለም ኣቦ ሓጎታቶምን እኖ ሓጎታቶምን ካብ ዝነበሩዎ ዘመን ንላዕሊ እተፍርሕ ኮይና ኣላ ኢሎም ይኣምኑ። ዘበናዊ ቴክኖሎጅን ቀረብ ዘመናዊ ሕክምናን ናይ ደቂ ሰባት ብህይወት ንናይ ምንባር ዕድመ እኳ እንተመሓየሾ፡ ከም ሕጽረት መግብን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዘጋጥም ቅትለትን ኣብ ሚዲያታት ዝቐርቡ ጸብጻባት ንምስሊ ዓለም ኣስጋኢ ገይሮሞ ኣለው። ኣብ ሲድኒ ዝማእከሉ ኢንስቲትዩት ቑጠባን ሰላምን ዘካየዶ ዓመታዊ ጸብጻብ ዓለማዊ ሰላም ከም ዘመልክቶ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ህዝባዊ ናዕቢ ብክልተ ዕጽፊ ከም ዝዓበየን ኣብ 2020 ጥራይ ከም ዝወሰኸን ይገልጽ። ብደረጃ ዓለም ድማ ናይ 10 ሚኢታዊት ዕብየት ኣርእዩ። ኣብተን ጎንጺ ዘአንገዳ ሃገራት ዝተኣከበ ናይ 40 ዓመታት መረዳእታ ከም ዘመልክቶ ከኣ፡ ኣብቲ ዘይምርግጋእ ዝነበረሉ ግዜ መጠን ወሊድ ብ33 ሚኢታዊት ጎዲሉ'ዩ። ሰባት መጻኢና እንታይ'ዩ ክኸውን'ዩ ብዝብል ውሑዳት ቖልዑ ክህልዉዎም ይግደዱ ኣለው። ክሊማዊ ለውጢ ዳህሳስ መጽናዕቲ ፒው፡ እቶም ኣብ መጻኢ ቖልዓ ብዛዕባ ምውላድና ርግጸኛታት ኣይኮኑን ዝበሉ ሰባት፡ ምኽንያት ተሓቲቶም ክምልሱ እንከለው ሓሙሽተ ሚኢታዊት ከባቢያዊ ጉዳያት ኣልዒሎም። ማርኩክስ ከኣ መጻእቲ ወለዶታት ብዝኸፍአ ክሊማዊ ለውጢ ክሳቐዩ ከምዝኽእሉ ስግኣት ከም ዘለዋ ትዛረብ። ካብዚ ብዝብገስ ውላዳን ደቂ ደቃን እንታይ ዓይነት ዓለም'ዮም ክወርሱ ዝብል ዓብዪ ሻቕሎት ከምዘለዋ ትዛረብ። \"ስለምንታይ ናብዛ ዝጭነቐላ ዓለም ካልእ ቖልዓ የምጽእ? ወትሩ ደቂሰ ብዛዕባ መጻኢ'የ ዝሓስብ። በዓል ቤተይ ትኽክለኛ ምርጫ ዲና ወሲድና? ንወድና ነጨንቖ ዲና ዘለና? ንነብስና ዲና ፈቲና? እናበለ ይሓተኒ'ዩ። እቲ ጉዳይ ብቐጻሊ ኢና ነልዕሎን ንዘራረበሉን\" ኢላ። ነዚ ዛንታ ዘዳለወት ኬት ሞርጋን፡ ኣብ መበል 31 ዓመተይ ገና ንትምህርቲ ዝተለቃሕኩዎ ልቓሕ ስለዘይተኸፍለ ብውሑዱ ቖልዓ ምስ ወለድኩ እውን እዚ ዕዳ ምሳይ ክቕጽል'ዩ ዝብል ስግኣታት ነይሩኒ ትብል። ሕጂ ኣብ ኣመሪካ ገጠር ፔንሲልቫኒያ'የ ዝነብር፤ ኣብዚ ቦታ ናብራ ቁሩብ ሕስር ስለዝብል መሰረታዊ ክንክን ሕክምናን መግብን ይረክብ እየ ኢላ። ኣብዚ ዘበነ ኮቪድን ፖለቲካዊ ቅልውላው ዝበዝሖን እዋን ካብ ቤተ ሰበይ ርሒቐ እናነበርኩ ቖልዓ ምውላድ የጨንቐኒ'ዩ። ይኹን'ምበር ንደቅና እቲ ንኽእልኦ ክንገብር፣ ደቅና ትኽክለኛ ነገር ንምግባር ክሕግዙ ከም ዝኽእሉ ከነተባብዖም ድኣ እምበር በቲ ኣብዛ ዓለም ዘለው ጸገማት ክንድሃል የብልናን። ቖልዓ ምዕባይ የርዕድ'ዩ፤ ግን ክኣ ንዓይ እቲ ትኽክለኛ ምርጫ'ዩ። ብዝተወሰነ መልክዑ ክኣ ክልቲኡ ሓቂ'ዩ ትብል።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59735232"} {"headline":"ካብ ቀይዲ ፖሊስ ኣምሊጡ ዝነበረ ኬንያዊ ቐታሊ ቆልዑ ብዕስለ ሰባት ተቐቲሉ","content":"እቲ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ካብ ቀይዲ ፖሊስ ዝሃደመ፡ ብዙሓት ቆልዑ ምቕታሉ ዝተኣመነ ማስተን ዋንጃላ ኣብ ምዕራብ ኬንያ ብዕስለ ሰብ ከም ዝተቐትለ ተገሊጹ። ማስተን ዋንጃላ ኣብ ከተማ ቡንጎማ ኣብ ሓደ ገዛ ምህላው ዝተጸናጸንዎ ሰባት ቀጥቂጦም ከም ዝቐተልዎ ሓቢሮም። ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት፡ እቲ ውልቀሰብ ልዕሊ 10 ኣወዳት ቆልዑ ከም ዝቐተለ ንፖሊስ ቃሉ ሂቡ ነይሩ። ዋንጃላ ብረቡዕ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እኳ እንተነበሮ ካብቲ ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ተታሒዙሉ ዝጸንሐ መደበር ፖሊስ ምህዳሙ ምስ ተፈለጠ ፖሊስ ሰፊሕ ኣለሻ ምጅማሩ ገሊጹ እዩ። ዋንጃላ ነቶም ቆልዑ የደንዝዞምን ናይ ገሊኦም ድማ ደሞም'ውን ምስታዩ'ውን ተኣሚኑ ነይሩ። ሓደ ምስክር ዓይኒ ንጋዜጣ ስታንዳርድ ኬንያ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ዋንጃላ ወለዱ ናብ ዝቕመጡሉ ዓዲ ከም ዝኸደ ዝገልጽ ወረ ከም ዝተሰምዐን ጎረባብቲ ኣብቲ ገዛ ከም ዝረኸብዎን ተዛሪቡ። ኣዛዚ ፖሊስ ቡንጎማ ብወገኑ ነታ ጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ውልቀሰብ ናብ ካልእ ገዛ ብምቅያር ነቶም ዝተጠራጠሩ ነበርቲ እቲ ከባቢ ከደናግር ከም ዝፈተነ ገሊጹ። ሙሰዮኪ ሙቱንጊ ወሲኹ፡ \"ካብ ናይሮቢ ክሳብ ኣብዚ ዓዱ ከመይ ጌሩ ክመጽእ ከም ዝኸኣለ ኣይንፈልጥን። ዝተጠራጠሩ ነበርቲ እዮም፡ ፖሊስ ዝኾነ ሓበሬታ ከይበጽሖ፡ ኣለልዮም ዝቐተልዎ\" ኢሉ። ምስ ምጥፋእ ዋንጃላ ብዝተኣሳሰር ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ጆጎ ሮድ ስራሕ ዝነበሩ ሰለሰተ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለው። ፖሊስ እቲ ክሱስ ካብ ቀይዲ ምምላጡ ኣብቲ ንጉሆ ዝገብሮ ምቁጽጻር (ፎልዮን) እዩ ፈሊጡ። ዋንጃላ ካብ ቀይዲ ፖሊስ ምምላጡ ኣብ ኬንያ ስንባድ ክፈጥር እንከሎ፡ ኣዛዚ ፖሊስ እታ ሃገር ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝጠልብ ጻውዒት ይውስኽ ኣሎ።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58923455"} {"headline":"ሓድሽ ክታበት ሕማም ዓሶ መዓዝ’ዩ ኣብ ረብሓ ክውዕል?","content":"ኣብ ዝሓለፋ መዓልታት ውድብ ጥዕና ዓለም ፈላማይ ክታበት ዓሶ ኣብ ረብሓ ንክውዕል ምስ ኣጽደቖ ተመራመርትን ሰብ ሞያ ጥዕናን ልዕሊ ኹሉ ተሓጒሶም። ዓመታዊ፡ ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ልዕሊ 260 ሽሕ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻናት ብሕማም ዓሶ ይሞቱ። እቲ ሕጂ ተራእዩ ዘሎ ምዕባለ ክታበት ድማ ህይወት ዓሰርታት ኣሽሓት ከድሕን ተስፋ ከም ዝተገብረሉ ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ። ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም \"ኣንጻር እዚ ጥንታውን ሓደገኛን ሕማም ዝኸውን ውጽኢታዊ ክታበት ንምርካብ ንዘመናት ክጽበዮ ዝጸናሕኹ እዩ። ታሪኻዊ'ዩ\" ብምባል እቲ ትካል እዚ ፈላማይ ክታበት ዓሶ ብሰፊሑ ኣብ ረብሓ ክውዕል ይምዕድ ኢሉ። እዚ ኣርቲኤስ - ኤስ ዝብል መጸውዒ ዝተዋህቦ ክታበት መዓዝ’ዩ ኣብ ረብሓ ክውዕል ዝብል ኣገዳሲ ሕቶ’ዩ። ካብዚ ብምብጋስ ነቶም ዓበይቲ ሕቶታት ከምዚ ዝስዕብ ዳህሲስናዮም ኣለና። ክንደይ ዝኣክል ውጽኢታውን ውሑሱን’ዩ? እቲ ክታበት፡ 40 ሚኢታዊት ሕማም ዓሶን 30 ሚኢታዊት ከቢድ ሳዕቤንን ብምክልኻል ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት’ዩ ውጽኢታዊ ምዃኑ ተረጋጊጹ። ካብ 2019 ጀሚሩ ተመራመርቲ ኣብ ጋና፣ ኬንያን ማላውን ሰፊሕ ናይ ፈተነ ፕሮግራማት ከካይዱ ጸኒሖም። ልዕሊ 800 ሽሕ ህጻናት ብውሑድ ሓደ ግዜ እቲ ክታበት ከም ዝወሰዱን ውሕስነቱ ከም ዘየስግእን ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ። ዝለዓለ እንተዝኸውን ይምረጽ፤ ግን ድማ ብዙሓት ዝርግሐ እቲ ጸገም ምሕሳብ እዩ ክቕድም ዘለዎ ይብሉ። ኣማኢት ሚሊዮናት ብዓሶ ኣብ ዝልከፍሉ ኩነታት 40 ሚኢታዊት ምንካይ እንተተኻኢሉ ልዑል ቑጽሪ ዘለዎ ህይወት ምድሓን ከም ዝኾነ ይኣምኑ። “እቲ ክታበት ብማእኸላይ ውጽኢታዊ’ዩ . . . ግን ድማ ክሳብ 30 ሚኢታዊት መልከፍቲ ምውጋድ፣ ህይወት ምድሓንን ምክልኻልን ዓብዪ ነገር’ዩ” ኢሉ ሰራሕተኛ ውድብ ጥዕና ዓለም ኦድሮ ኣሎንሶ። ሰብ መዚ ጥዕና፡ ኣብ ክሊ እቲ ዝርግሐ ሕማም ዓሶ ንምክልኻል ዝውሰዱ ስጉምታት እዚ ክታበት ዓብዪ እታወት’ዩ ኢሎም ይካትዑ። እቲ ክታበት ከመይ’ዩ ዝሰርሕ? ዓሶ፡ ንዋህዮታት ደም ዘዕኑን ዝወርርን ኮይኑ ደም ብእትማጺ ተናኻሲት ጣንጡ ዝመሓላለፍ ሕማም’ዩ። እቲ ክታበት ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ልሙድ ዝኾነን ሓደገኛን ዓሶ ፕላዝሞዲያም ፍላሲፓረም ዝተባህለ ዓሶ ዒላማ ይገብር። በዚ መሰረት፡ እቲ ክታበት ሓደ ግዳይ ምስ ተነኽሰ ናብ ደሙ ዝኣቱ ጽግዕተኛ ሕማም ንምክልኻል ዝሰርሕ ኮይኑ፡ ብኸፊል ናብቶም ዋህዮታት ሰባት ንከይኣትው ብምዕጋት ሕማም ከም ዝከላኸል ዶክተር ኣሎንሶ ገሊጹ። እዚ ውጽኢታዊ ንክኸውን ኣርባዕተ ግዜ ክውሰድ ኣለዎ። እቶም ናይ መጀመርታ ሰለስተ ንቖልዑ ሓሙሽተ ዓመት ብናይ ሓደ ወርሒ ኣፈላላይ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተን ሸውዓተ ወርሕን ዝወሃብ ኮይኑ እቲ ናይ መወዳእታ ኣብ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ይውሰድ። ህጻናት፡ ቐልጢፎም ዓርሶም ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ስለ ዘየጥርዩ ብዓሶ ናይ ምሟት ዕድሎም ዝለዓለ’ዩ። ዋግኡ ክንደይ’ዩ? መንኸ ይኸፍሎ? እቲ ክታበት ብፋብሪካ መድሃኒት ጂኤስኬይ ዝፈረየ ኮይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ዋጋ’ኳ እንተዘይኣውጽአሉ እቲ ክታበት ናብ ዕዳጋ ኣብ ዘቕርበሉ ሓሙሽተ ሚኢታዊት ዋጋ ፍርያት ከም ዝውስኸሉ ተሓቢሩ። ምዕዳግ ዝምልከት ነተን ጠለብ ዘለወን ሃገራትን ገንዘብ ዘተኣላልሹ ለገስትን ዝምልከት እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኬንያ መብዛሕትኡ ንኽታበት ዝወጽእ ገንዘብ ካብ ከም ዓለምለኻዊ ጥምረት ክታበትን ፋውንዴሽን ቢል ኤንድ ሜሊንዳ ጌትስን ዝበሉ ለገስቲ ትካላት ዝርከብ ምዃኑ ይፍለጥ። መዓዝ’ዩ ክከፋፈል? እቲ ኣብ ጋና፣ ኬንያን ማላውን ዝጸንሐ ናይ ፈተነ ፕሮግራም ክቕጽል’ዩ። ጂኤስኬይ፡ ነቲ ዝካየድ ዘሎ መጽናዕቲ 10 ሚሊዮን ክታበት ከም ዝለገሰን ርብሒ ናይዚ ኣብ ጥቕሚ ከም ዝወዓለን ገሊጹ። እቲ ኩባኒያ ኣብ ዓመት 10 ሚሊዮን ክታበት ክልግስ ወሲኑ ኣሎ። ገንዘብ እንተተረኺቡ ኣብ መወዳእታ 2022 ወይ መጀመርታ 2023 ብሰፊሑ ኣብ ዕዳጋ ክውዕል ከም ዝኽእል ድማ ኣፍሊጡ። እንተኾነ እዚ ቑጽሪ እኹል ዘይክኸውን ይኽእል’ዩ። ኣብ መወዳእታ ዓሰርተ ዓመት ዓመታዊ ኣስታት 100 ሚሊዮን ክታበት ከድሊ ይኽእል ተባሂሉ ይግመት። እቲ ክታበት ንህጻናት ትሕቲ ክልተ ዓመት’ውን ንክወሃብ ዝዓለመ ኮይኑ ግንዛበ ናይ ምዕባይ ስራሕትን ንሰብ ሞያ ጥዕና ንምስልጣንን ዘኽእሉ ትሕተ ቕርጺ ክማልኡ ኣለዎም። ኣብቲ ናይ ፈተነ ፕሮግራም፡ ኣብ ኬንያ ልዕሊ 200 ሽሕ ህጻናት ክኽተቡ እንከለው፡ መብዛሕትኡ ኣብ ገጠራትን ራሕቒ ዘለዎም ከባቢታት ዘለው ዓድታትን’ዩ ተዋሂቡ። ካልኦት ዝማዕበሉ ክታበታት ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዘማዕበሎ ሓደ ክታበት፡ ኣብ መጀመርታ ናይ ፈተነ ምዕራፋት 77 ሚኢታዊት ውጽኢታዊ ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዚያ ተገሊጹ ነይሩ። እንተኾነ፡ ዓሶ ንኣብነት ካብ ኮሮናቫይረስ ንላዕሊ ኣዝያ ዝተሓላለኸት ስለ ዝኾነት ክታበት ንምምዕባል ኣዝዩ ነዊሕ መስርሕ ዝሓትት’ዩ። ኣርቲኤስ- ኤስ ኩሎም መስርሓት ፈተነ ዝሓለፈ ናይ መጀመርታ ክታበት ዓሶ’ዩ።","category":"ህፃናት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58840355"} {"headline":"ብሰንኪ ምኽሳዕ ህጻናት ብሕማም ሽኮር ይተሓዙ ኣለዉ- መጽናዕቲ","content":"ብሰንኪ ምኽሳዕ (ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ) ኣብ ህጻውንቲ “ኣዝዩ ዘሻቕል ወሰኽ” ሓማም ሽኮር-2 ይርከብ ከምዘሎ ሓካይም ይሕብሩ። ዳያቢትስ ዩኬ ዝተባህለ ገባሪ ሰናይ፡ ዓቐኑ ዝሓለፎ ርጉዲ ነቲ ኣብ ህጻናት ዝረኣይ ዘሎ ሕማም ሽኮር ምኽንያት ክኸውን ከምዝኽእልን ምኽባር ናብራ ዝፈጠሮ ዘይጥዑይ ኣመጋግባ'ውን ነቲ ኩነታት ከጋድዶ ከምዝኽእልን ገሊጹ። ብፍላይ እቲ ኩነታት ኣብ ዝተረሰዑ ከባቢታት እንግሊዝን ዌልስን ዝገደደ ከምዝኾነ ቁጽራዊ መረዳእታ የመልክት። ካብቶም 10 ብሽኮር-2 ዝተትሓዙ ህጻናት እቶም ኣርባዕተ ካብ ዝተገለሉ ከባቢታት ዝመጹ እዮም። ኣብታ ሃገር ካብ 10 ህጻናት እቲ ሓደ፡ ዕድሚኦም ንትምህርቲ ኣብ ዝበጽሐሉ፡ ካብ መጠን ዝሓለፎ ርጉዲ ኣለዎ። ዓቐን ዝሓለፎ ርጉዲ ፡ ንሕማም ሽኮር-2 ናይ ምቅላዕ ተኽእሎ ዝውስኽ ኮይኑ፡ ናይ ቤተሰብ ናይ ሕማም ሽኮር ድሕረ ባይታን ዓሌትን እውን ነቲ ሕማም ዘቃልዑ ባእታታት እዮም። ሕማም ሽኮር ኣብ ደም ብዙሕ ሽኮር (ግሉኮዝ) ክህሉ ዝገብር ሕማም እዩ። ሕማም ሽኮር 1 ዘለዎም ሰባት ኢንሱሊን ኣየመንጭዉን፤ ሽኮር ክልተ ድማ ብቑዕ ወይ እኹል ዘይኮነ ኢንሱሊን የመንጩ። ኣብ እንግሊዝን ዌልስን ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት በዝሒ  ብሕማም ሽኮር ክልተ ዝተጠቕዑ ህጻናት ብ 50 ምኢታዊት ከምዝወሰኸ መረዳእታ ዳያቢትስ ዩኬ ይሕብር። ዋና ፈጻሚ እቲ ትካል ክሪስ ኢስኪው “ኣብ ህጻናት እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ክሰዐ ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ነቲ ናይ ህጻናት ደረጃ ክልተ ሽኮር ከየጋድዶ ኣዚና ተሻቒልና ኣለና” ብምባል ኣብ ተበጻሕነት ጥዕና ዘሎ ዘይምዕሩይነት ቀንዲ ምኽንያት ከምዝኾነን ምኽባር ናብራ እውን ከምዘጋደዶን ተዛሪቡ። መንግስቲ ብሪጣንያ ብወገኑ ኣብ 2030 ክሰዐ ህጻናት ብፍርቂ ንምንካይ ስጉምቲታት ይወስድ ከምዘሎ ገሊጹ።","category":"ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4npp644dl3o"} {"headline":"ብምትሕውዋስ ዘርኢ መፍረ፡ ኣሜሪካውያን መጻምዲ ዘይውላድና ወሊድና ይብሉ","content":"ኤስያዊ መቦቆል ዘለዎም መጻምድቲ ብ IVF (ዘርኢ ናይ ኣቦን ኣደን ኣብ ቤት ፈተነ ከም ዝሕወስ ተገይሩ፡ ተመሊሱ ናብ ማህጸን ከም ዝኣቱ ዝግበር መስርሕ መፍረ) ኣቢሎም ክወልዱ ኣብ ዝፈተንሉ፡ ኣብ ክሊኒክ መፍረ ካሊፎርናያ ብዝተፈጥረ ምትሕውዋስ ዘርኢ፡ እታ ኣደ ዘይውላዳ ከምዝጠነሰት ገሊጾም። ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝመስረትዎ ክሲ፡ እቶም መጻምድቲ፡ ዘርኢ ኤስያ ዘለዎም ዘይመስሉ ክልተ ኣወዳት ምስ ተገላገሉ ኣዝዮም ከም ዝሰንበዱ ገሊጾም። እቲ ክሲ ከም ዘነጽሮ፡ ብዝተገብረ መርመራ ዲኤንኤ መሰረት፡ እቶም ህጻናት ናይቶም መጻምድቲ ከም ዘይኮኑ ተረጋጊጹ እዩ። ክሊኒክ መፍረ ካሊፎርኒያ፡ ብዛዕባ እቲ ክሲ ዛጊት ዝሃቦ መልሲ የለን። እቶም ዘለፋን ጸርፍን ዘሰከፎም መጻምድቲ፡ ኣብ ዝመስረትዎ ክሲ ኣስማቶም ኤፒን ዋይዚን ብዝብል ዝተክእዎ ኮይኖም፡ ድቂ ንምሓዝ ብዙሕ ጻዕሪ ዝገበሩ ኮይኖም ኣብ IVF ድቂ ንኽሕዙ 100,000 ዶላር ወጻኢ ገይሮም (እዚ ንሕክምናን ጉዕዞን ካልእ ወጻኢታትን ዘጣቓለለ ኢዩ)። IVF ማለት ዘርኢ ናይ ወዲ ተባዕታይን ጓል ኣንስተይትን ኣብ ቤት ፈተነ ከም ዝሕወስ ተገይሩ ንኽዓብን ክምዕብልን ተመሊሱ ናብ ማህጸን ከም ዝኣቱ ዝግበር መስርሕ እዩ። እቶም መጻምድቲ፡ 'ደቆም' ተወሊዶም ኣብ ዝርኣይሉ፡ ናቶም ሰረተ-ዘርኢ ዘለዎም ስለ ዘይመስሉ ኣሰንቢድዎም'ዩ። ኣቐዲሙ ኣብ ዝተገብረ መርመራ፡ ገለ ነገር ከም ዝተባላሸወ ዝእንፍት ውጽኢት ተረኺቡ ነይሩ። እቶም ሓኻይም ናይ ወዲ ተባዕታይ ኢምብርዮ ከም ዘይተጠቕሙ ገሊጾምሎም ከብቕዑ፡ ውጽኢት ስካን ግና ሒዞሞ ዘለዉ ድቂ ማናቱ ተባዕትዮ ከም ዝኾነ'ዩ ኣመስኪሩ። ይኹን'ምበር እቶም ሓኻይም ብተደጋጋሚ ነቶም መጻምድቲ ዝነግርዎም ዝነበሩ፡ እቲ ስካን ልክዕ ከም ዘይኮነ ኢዩ። መወዳእትኡ ድማ ማንታ ኣወዳት ተገላጊሎም። \"እቶም ህጻናት ንወለዶም ኣይመስሉን ጥራይ ዘይኮነስ ንሓድሕዶም ውን ኣይመሳሰሉን ኢዮም\" ይብል እቲ ኽሲ። ቢቢሲ ርእይቶ ናይቲ ክሊኒክ ክረኽብ ፈቲኑ ነይሩ። ጠበቓታት እቶም ወለዲ ንቢቢሲ ከም ዝገለጽዎ፡ እቶም መጻምድቲ ዓማዊሎም፡ ብዘይተገዳስነትን ሓላፍነት ዝጎደሎ ኣተሓሕዛን እቲ ናይ መፍረ ክሊኒክ፡ ከም ዝተሃሰዩ ገሊጾም። ዕላማና ዓማዊልና ግቡእ ካሕሳ ከም ዝረኽቡን ከምዚ ዓይነት ዘሰንብድ ፍጻመ መሊሱ ከም ዘይድገም ምርግጋጽን'ዩ፡ ይብሉ እቶም ጠበቓታት።","category":"ፍርያምነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48919575"} {"headline":"ሓሙሽተ ጠንቅታት መኻንነት ደቂ ተባዕትዮ መፍትሒታቶምን","content":"ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዓለምና መኻንነት ደቂ ተባዕትዮ ብዓቢኡ ይውስኽ ኣሎ። ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ዘሰንብድ ምንካይ ቁጽሪ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ምዃኑ ተመራመርቲ ይገልጹ። ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ደቂ ተባዕትዮ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ዘፍስስዎ ቁጽሪ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ብ51 ሚእታዊት ከምዝነከየ መረዳእታ የመልክት። እዚ ሓበሬታ እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ብ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ እብራይስጥን ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ሕክምናዊ ዩኒቨርሲቲ ሲና ማውንቴንን ካብ ዘሕተምዎ ናይ ሓባር መጽናዕቲ ዝተረኽበ እዩ። እቶም ተመራመርቲ፡ ደቂ ሓምሳ ዓመት ደቂ ተባዕትዮ፡ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ሓደ ሚሊሊተር ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ብውሑዱ 101 ሚልዮን ፍረ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ከም ዘሎ ረኺቦም። ኣብዚ ሕዚ እዋን እዚ ኣሃዝ ናብ 49 ሚልዮን ወሪዱ ኣሎ። ብዘይካ እቲ ብዝሒ፡ ጽሬት ናይቶም ናብ እንቋቑሖ ጓል ኣንስተይቲ ክኣትዉ ዝኽእሉ ዋህዮታት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እውን ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ነክዩ እዩ። “እቲ ኣዝዩ ዘገርም ነገር፡ ምግዳብ ምንቅስቓስ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እዩ። እቲ ምንቅስቓስ ደው እንተኢሉ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ክጎድል እዩ\" ይብል ምክትል ፕረዚደንት ማሕበር ሳይንሳዊ ደገፍ ፍርያምነት ኣብ ብራዚል ራፋኤል ራዳኤሊ። ምንካይ ቁጽሪ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ትሑት ጽሬትን ድሩት ምንቅስቓስን ኣብ ሰብ ሞያ ጥዕና ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ። “ቁጽሪ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እናነከየ ይኸይድ ኣሎ፤ እዚ ናበይ ክወስደና ከም ዝኽእል ዘይምፍላጥና ዘተሓሳስብ'ዩ\" ይብል ኣተሓባባሪ ንፍረ ደቂ ተባዕትዮ ዘጽንዕ ማሕበር ዩሮሎጂ ብራዚል ኤድዋርዶ ሚራንዳ። ኣብ ኩለን ኣህጉራት ምንካይ ቁጽሪ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እኳ እንተተራእየ፡ ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣፍሪቃ፡ ማእከላይን ደቡብን ኣመሪካ ግን ዝለዓለ ምዃኑ ተገሊጹ። ክኢላታት፡ እንተወሓደ ሓሙሽተ ምኽንያታት ይሕብሩ። ይኹን እምበር፡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ከይንስንብድ ይዛረቡ። እቲ ጽቡቕ ነገር ነዚ ንድሕሪት ንምምላስ ወይ ንምንካይ ዝሕግዙ መንገድታት ኣለዉ። ደቂ ተባዕትዮ ልዕሊ ዓቐን ክብደት ምስ ዝህልዎም፡ ኣብ ዋህዮታት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ጎዳኢ ኩነታት የስዕብ። ኣብ መላእ ኣካላትና ስብሒ ዝዕቅብ ቲሹ ብዝለዓለ ደረጃ ክዓቢ ይገብሮ። እዚ ድማ ዋህዮታት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ሆርሞናት ንዝኾነ ቴስቶስትሮን ብቐጥታ ዝጸሉ መርዛማት ነገራት ከም ዘፍርዩ ይገብሮም። ብመሰረት ሚራንዳ፡ ስብሒ፡ ኣብ ኣካላትና ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ዋህዮታት ዝጎድኡ 'ኦክሲዳቲቭ ስትሬስ' ዝበሃል መስርሕ የስዕብ። “ከምኡ’ውን ልዕሊ ዓቐን ክብደት ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ብልዕቶም ዝያዳ ስብሒ ይቕመጥ፤ እዚ ንሰፐርማቶዞኣ (ዘርኢ ደቂ ተባዕትዮ) ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ\" ይብል እቲ ክኢላ። ዋህዮታት ምፍራይ ዝፍጠሩሉን ኣብ ኣካላትና ዝኽዘኑሉን ፍርንጭት፡ ብግቡእ ንኽሰርሕ ካብ ሙቐት ኣካላት ካብ 1 ክሳብ 2 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ትሒቱ ክጸንሕ ኣለዎ። ስለዚ ድማ እዩ ዘርኢ ደቂ ሰባት ተነጺሎም ዝተፈጥሩ። ስብሒ ኣካላትና ምውሳኽ ንኣካላት መፍረ ካብ መጠን ንላዕሊ ብምውዓይ፡ ብግቡእ ስራሕ ደው ከብሉ ይገብሮም። ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ደቂ ተባዕትዮ 39 ሚእታዊት ርጉዲ ዘለዎም ክኾኑ ከለዉ፡ 11 ሚእታዊት ድማ ካብ ዓቐን ዝሓለፈ ርጎድ ዘለዎም እዮም። እዚ ኣሃዝ እዚ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓሰርተታት ዓመታት ንዝተራእየ ምንቁልቋል ቁጽሪ ‘ስፐርማቶዞኣ’ ንምግላጽ ጽቡቕ መርኣዪ እዩ። ኣልኮላዊ መስተ፡ ሽጋራ፡ ቬፒንግ፡ ማሪዋና፡ ኮኬይን፡ ኣናቦሊክስ፡ ስቴሮይድ... ኩሎም እዞም ዕጸፋርስ፡ መነቓቕሒታት ብዙሕ ህዝቢ እዛ ዓለም ዝጥቀመሎም ኮይኖም ኩሎም ሓደ ዘመሳሰሎም ነገር ኣለዎም። እንታይ ምዃኑ ትፈልጡ'ዶ? ኩሎም ንጥዕና ዋህዮታት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ይጸልዉ። \"ገለ ካብ ዞምንጥረ ነገራት ብቐጥታ ነቶም ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ዘፍርዩ ዋህዮታት ይጸልዉ\" ይብል ሚራንዳ። ካልኦት ድማ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ይጽለዉ። ንፍርያት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ዘነቓቕሑ ሆርሞናት ይፍንዉ። ብፍላይ ክኢላታት ዝጠቐስዎ ጉዳይ፡ ደቂ ተባዕትዮ ጭዋዳታቶም ንምጽቃጥ መርፍእ ቴስቶስትሮን፡ ጀልን ከኒናን ዝወስዱሉ ጉዳይ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ጉዳይ ሆርሞናት ንምህናጽ ጭዋዳታት ብዘሰንብድን ዘፍርሕን መንገዲ ንዓለምና ኣዕለቕሊቑዋ ኣሎ። ብዘይ ንጹር ምኽንያት ንቴስቶስትሮን ብኣርቲፊሻል ክቕይሮ ከሎ፡ ኣካላትና ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ ምፍራይ ኣድላዪ ከምዘይኮነ ይሓስብ። ከም ውጽኢቱ ድማ ቁጽሪ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ፍረ-ነብሲ ዜሮ ይበጽሕ። እዚ ሕማም ‘ኣዞስፐርሚያ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሕማም እዩ። ከም ፍንጣጣን ሽኮርያን ዝኣመሰሉ ረኽስታት ባክተርያ ኣብ ቫስ ዲፈረንስ (ጽምዲ ተሪርን ረጒድን መንደቕ ዘለዎም ጭዋዳዊ ሻምብቆታት) ነድሪ ከስዕቡ ይኽእሉ። እዚ ድማ ኣብ ዋህዮታት ዘርኢወዲ ተባዕታይ ሓደጋ የስዕብ። ኣብ 2020 ጥራይ ውድብ ጥዕና ዓለም 129 ሚልዮን ሰባት ብሕማም ፍንጣጣ ከምዝተለኽፉን 82 ሚልዮን ድማ ብሕማም ሽኮርያ ከምዝተጠቕዑን ኣፍሊጡ። እዚ ቁጽሪ እዚ ኣይነከየን። ወይ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ከይተረፈ ወሲኹ። ካልኦት ተመራመርቲ፡ ቫይረስ ፓፒሎማ ሰብ ወይ ብሓጺሩ ኤች.ፒ.ቪ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማም ምዃኑ ይሕብሩ። እዚ ሕማም ንዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንጀነቲካዊ ኣቃውማ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እውን ከም ዝጸሉ ይንገር። ዘርኢ ወዲ ሰብ ካብ 1 ክሳብ 2 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ትሕቲ ሙቐት ኣካላት ክጸንሕ ኣለዎ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብ ሰለፍካ ኮምፕዩተር ሒዝካ ምስራሕ፡ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ኣእትይዎ ኣሎ። እተን ኮምፒዩተራት ምስ ዝውዕያ ናብ ኣካላትና ይመሓላለፋ እሞ ነቲ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ \"ክበስል\" ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ የብጽሓኦ። ብመሰረት ሚራንዳ፡ ካልኦት ምስ ልዑል ሙቐት ዝተኣሳሰሩ ልምድታት እውን ንፍርያምነት ሓደጋታት የስዕቡ። ካልኦት እቲ ክኢላ ዝጠቐሶም ጎናዊ ሳዕቤናት፡ ነዊሕ ውዑይ ሻወር ምውሳድ፡ ነዊሕ እዋን ኣብ ውዑይ ሳውና ምጽናሕ ይርከብዎም። ብተወሳኺ፡ ዋላ እኳ እቲ ምኽንያት እንተዘይተፈልጠ፡ ከም ዋይፋይን ኤሌክትሮኒካዊ ማዕበላትን፡ ንዋህዮታት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እውን ከም ዝጸልዉ ይግለጽ። ኣብ ኣካላትና ዝርከብ ስርዓተ ኢንዶክራይን ብዝተሓላለኸ መርበብ ጽክታትን ኣካላትን ዝቖመ እዩ። ንናይ ኢንዶክራይን ስርዓት ዝዘርጉ መርዛማት ውህደታት ኣብ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እውን ናይ ገዛእ ርእሶም ጽልዋ ኣለዎም። እዚኦም ድማ ብከላታት ከባቢ ኣየር፡ ፕላስቲክን ጸረ-ባልዕን ይርከብዎም። እዞም ንጥረ ነገራት እዚኣቶም ምስቲ ኣብ ኣካላትና ዝርከቡ ሆርሞናት ዝመሳሰል ኣቃውማ ስለ ዘለዎም፡ ናብ ተቐበልቲ ዋህዮታት ኣትዮም ዘይተደልየ ምላሽ ከስዕቡ ይኽእሉ። ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ እዞም ንጥረ ነገራት ኣብ ኣካላትና ዝገብርዎ ለውጢ ንፍርያምነት ደቂ ተባዕትዮ ይጸልዎ። ይኹን እምበር ነዚ ፀገም ብርግፅ ንምፍላጥ ብዙሓት መፅናዕትታት ይካየዱ ከምዘለዉ ተገሊፁ እዩ። ብዘይካ’ቲ ትሑት ቁጽሪ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ዘስዕቡ ከባብያውን ባህርያውን ጠንቅታት፡ ካልኦት ክልተ ረቛሒታት’ውን ኣለዉ። እቲ ቀዳማይ ጀነቲክስ እዩ። ካብ 10 ክሳብ 30 ሚእታዊት ናይ መኻንነት ሕሙማት ምስ ጸገም ዲኤንኤ ወዲ ተባዕታይ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ይግመት። እቲ ካልኣይ ምስ ዕድመ ዝተኣሳሰር እዩ። ደቂ ተባዕትዮ እናዓበዩ ምስ ከዱ ኣቦ ክኾኑ ምስ ዘለዎም ድሌት ርክብ ኣለዎ። “ፍርያምነት ምስ ዕድመ ከም ዝንኪ ንፈልጥ ኢና። ምንካይ ፍርያምነት ደቂ ተባዕትዮ ከም ናይ ደቂ ኣንስትዮ ርኡይ እኳ እንተዘይኮነ፡ ንፍርያት ዋህዮታት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ኣገደስቲ ዝኾኑ ሆርሞናት ግን እናነከዩ ይመጹ ኣለዉ” ክብል ይገልጽ። ብሓፈሻ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ መኻንነት እናገደደ ይኸይድ ከምዘሎ እኳ እንተገለጸ፡ ምምጻእ ሓደስቲ ቴክኖሎጂታት ግን ነቲ ጸገማት ክፈትሖ ከምዝኽእል ተስፋ ይግበር። ውላድ ክወልድ ዝደልዩ ወዲ ተባዕትዮ፡ ኣብ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ዝበጽሕ ዝኾነ ይኹን ጉድኣት ንምምላስ ኣብ መይላ ኣነባብራ ለውጢ ክገብር ይግባእ። ካብቶም ክኢላታት ዝመኽርዎም ነገራት፡ ሚዛናዊ ኣመጋግባ ብምምጋብን ምንቅስቓስ ኣካላት ብምግባርን፡ ከምኡ'ውን ኣልኮላዊ መስተ፡ ሽጋራን ካልኦት መነቓቕሒታት ብምንካይ ወይ ብምቁራጽ ክብደት ሰብነት ምጉዳል ይርከብዎም። ምስ ዝተፈላለዩ ሰባት ጾታዊ ርክብ እትፍጽም እንተኾይንካ ኩሉ ግዜ ኮንዶም ክትጥም ኣለካ ይብሉ። ከም ረስኒን ሽኮርያን ዝኣመሰሉ ተላባዕቲ ሕማማት ንኸይትጥቃዕ ኣብ ኣመጋግባ ለውጢ ክትገብር ይምከር። ኣብ መጀመርታ ዕድመ ንእስነቶም ክታበት ኤች.ፒ.ቪ ዝወስዱ ውልቀሰባት እውን ንገዛእ ርእሶም እቲ ቫይረስ ኣብ ዲኤንኤኦም ከስዕቦ ካብ ዝኽእል ጉድኣት ይከላኸሉ። ተወሳኺ ቪታሚናት ብምውሳድን ሆርሞናትካ ብምክትታልን ኩነታቶካ ክትምርምር ይግባእ። እዚ ኩሉ ናይ ኣነባብራ ልምድታት እንተቐይርካን ክትወልድ እንተጸጊምካን ናብ ሰብ ሞያ ጥዕና ክትከድ ይመኽሩ። ከምኡ’ውን ናይ ሕማም ጸገም እንተኾይኑ ብመድሃኒት ወይ ብመጥባሕቲ ክእረም ከም ዝኽእል ይሕብሩ።","category":"ፍርያምነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ceq27wz4464o"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ መኻናት ወሊዶም ስዒሞም","content":"መኻንነት ኣብ ውሽጢ ሓዳር ዝፈጥሮ ዘሕዝን ዛንታት ኣብ ከባቢና ምስማዕ ዘይንቡር ኣይኮነን። ሓንቲ ስማ ከይንጠቕሳ ዝሓተተትና ጓልኣንስተይቲ፡ ብዛዕባ መኻንነት ዘኽፈላ ዋጋ ዝጠቅስ ተሞኩሮ ኣካፊላትና'ላ። \"ካልእ ክምርዖ ፈቒደሉ...\" \" . . . ምስቲ ዘፍቅሮ መተዓብይተይ፡ ብድሙቕ ስነ-ስርዓት መርዓ፡ ፈታውን ዘመደን መሪቑና ሓዳር መስሪትና፤ ሕጉሳት ኔርና። ዓለምና ገዛና ኾይኑ። ሓያሎ ዓመታት ብሓንሳብ ኣሕሊፍና። ፍቕርና ኣብ ዙርያና ንዝነበሩ ሰባት ዘቕንእ'ዩ ነይሩ። ናብራና'ውን ዕዉትን ዝተደላደለን። ይኹን እምበር፡ ውሉድ ክንረክብ ኣይክኣልናን። ኣብ ፈለማ እዋን፡ ብስምዒት ፍርሕን ምድንጋርን ተኸቢብና ነይርና። ድሒሩ ዝተፈላለዩ ሕክምናታት ፈቲንና፤ ኣብ እምነትና'ውን፡ ናይ ወትሩ ጸሎትና \"ብቖልዓ ባርኸና\" ኮይኑ። ክኸውን ግን ኣይከኣለን። ከምዚ ባዕልና ዝደለናዮ፡ ካብ ቤተሰብናን ኣብ ዙርያና ዝነበሩ ሰባትን \"ውለዱ 'ምበር\" ዝብል ምኽሪ ከም ሰላምታ ክደጋገም ምስ ጀመረ ክንሽቑረር ጀሚርና። እቲ ጸቕጢ ከምቲ ዝውረየሉ ቀሊል'ኳ እንተዘይኮነ ከምዚ'ልና ግን ንዓመታት ቀጺልና። ናይ ሕክምና መርመራ ምስ ገበርና፡ እቲ ጸገም ኣባይ ከም ዘሎ ምስ ፈለጥኩ፡ ናይ ጣዕሳ ስምዒት ክሓድረኒ ጀሚረ። ንሱ ግን፡ ካልእ ነገር እንከይበለ ንዓይ ብምጽንናዕ፡ 'ፈጣሪ ዝፈቐዶ'ዩ ዝኸውን' ይብለኒ ነይሩ። ኣነ ግን፡ ንዓይ ክትብል ብዘይውላድ ክትተርፍ የብልካን፡ ካልእ ተመርዒኻ ውለድ ኢለ ሓሳብ ኣቕሪበሉ፤ ካብ ልበይ'ዩ ነይሩ። እንተኾነ፡ \"ንቆልዓ ኢለ ነታ ናይ ቁልዕነት ኣፍቃሪተይ ገዲፈ ክኸይድ ሕልናይ ኣይፈቕደለይን'ዩ\" ብምባል ምስ ሓሳበይ ኣይተሰማመዐን። ክንረዳዳእ ስለ ዘይኽኣልና ግን፡ ኣብ ሞንጎ ምስሕሓብ ይፍጠር ነበረ። ሓደ መዓልቲ፡ ተመርዕዩ፣ ወሊዱ፣ ቆልዓ ሒዙ ናባይ ክምለስ ኣእሚነዮ፤ ተሰማሚዑ። በዚ ኸኣ፡ ካልእ ተመርዕዩ። ኣነ ድማ ንበይነይ፡ ንዕኡ ክጽበ ጀሚረ፤ ክልተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ኣቦ ጓል ኮይኑ፤ ሕጉስ ኢለ። ልቡ ምሳይ ስለ ዝነበረ፡ እታ ኣደ ካብ ዝሓረሰትሉ ቦታ ምስ ወጽአት፡ \"ምሳኺ ይኣኽለና፡ ጓለይ ሃብኒ'ሞ ክኸይድ\" ዝብል ሕቶ የቕርበላ። ንሳ ድማ ኣደ ስለ ዝኾነት፡ \"እንተ ደሊኻ ንስኻ ኪድ እምበር፡ ውላደይ ዝገበርኩ ጌረ ከዕቢ'የ\" ዝብል መልሲ ከም ዝሃበቶ ነጊሩኒ። እዚ ኣቐዲምና ክንሓስበሉ ዘይምኽኣልና ይገርመኒ'ዩ። ርእሶም ዝፈትዉ ኮይንና ኔርና። ንሓደ በዲልካ ነቲ ካልእ ከተሐጉስ ስለ ዘይክኣል ግን፡ እቲ ዝሓሰብናዮ ኣይሰመረን። ንሱ'ውን ቆልዓ ስለ ዝነበረ ካባይ ዘርሓቖ፡ ንዓይ ገዲፉ ምስ ኣደ ጓሉ ሓዳሩ ኣጽኒዑ ቀጺሉ። ኣይሕዘሉን'የ። ኣነ ድማ፡ ኣብ ገዛ ንብረትና ሒዘ በይነይ ተሪፈ። ብሰንኪ ውላድ ዘፍቅሮ ሰብኣየይ ስኢነ....\" ክትብል ታሪኽ ህይወታ ኣካፊላትና። ነዚ ፍቑራት ዝፈላሊ፡ ንሰባት ኣብ ዘይሓሰብዎ ዓለምን፡ ጉዕዞ ሂወትን ዝመርሕ መሪር ብድሆ ገለ መፍትሒ ይርከቦዶ ይኸውን? ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ሚሊኒየም ኮሌጅ፡ ነዚ ናይ ጥዕና ጸገም ንምፍታሕ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2011 (2019) ዘመረቖ ማእከል ጥዕና መኻንነት ኣገልግሎት ክህብ ጂሚሩ'ሎ። ሓደ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ድማ፡ ልዕሊ 60 ሽሕ መጻምዲ ናይ መኻንነት ሕክምና ኣብ ምክትታል ከም ዝርከቡ፡ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ማእከል ስነ ተዋልዶ ዶክተር ቶማስ መኩርያ ንቢቢሲ ገሊጹ። እቶም ሰባት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ መነባብሮ ዝርከቡ ኮይኖም፡ እቶም 1400 ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ሕክምና ክረኽቡ ተመዝጊቦም ኣለዉ። እቶም ዝተረፉ ድማ፡ ተመሳሳሊ ሕክምና ቅድሚ ምርካቦም፡ ካልእ ኣገባባት ሕክምና ኣብ ምክትታል ይርከቡ። በቲ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ዝወሃብ ሕክምና ክጠንሳ ዝኸኣላ ልዕሊ 70 ደቂ-ኣንስትዮ ድማ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ጥንሲ በጺሐን ኣለዋ። እቲ ዘሐጉስ ግን፡ 6 ወለዲ ቆልዓ ወሊዶም ክስዕሙ በቒዖም ኣለዉ። ሓንቲ ኣደ ሰለስተ ወሊዳ ዋላ'ኳ ሓደ እንተ ሞታ፡ እቶም መናቱ ግን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና ከም ዝርከቡ ሰሚዕና። እቶም ዕድለኛታት መጻምዲ፡ ካብ 18 ኣዋርሕ ክሳብ 4 ዓመት ኣብ ሓደር ዝጸንሑ ግን ድማ ቆልዓ ከይወለዱ ጸኒሖም ሕጂ ዝተበኮሩ'ዮም። \"በዚ መንገዲ ቆልዓ ዝወለዳ ኣዴታት፡ ውላደን ክሓቑፋ እንከለዋ ብሓጎስ'የን ዝበኽያ። ውላድ ይናፍቓ ነይረን፤ ውላድ ንምርካብ፡ ኣብ ናይ እምነት ቦታታት ከርተት ክብላ፡ ካብ ሕብረተሰብ ዝበጽሐን ጸቕጢ'ውን ቀሊል ኣይኮነን። ነዚ ኩሉ ሓሊፈን፡ ቆልዓ ክሓቑፋ እንከለዋ፡ ዝስምዐን ስምዒት፡ ክቆጻጸርኦ ዘይክእላ ናይ ሓጎስ ስሚዒት'ዩ\" ይብል ዳይሬክተር ኮምዩኬሽን እቲ ሆስፒታል ኣቶ ንዋይ ጸጋየ። እቲ ኣገልግሎት ሕክምና፡ ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ብዘምሃሮም ሰብሞያ ሕክምና'ዩ ዝወሃብ። እቲ ኣገልግሎት ቅድሚ ምሃቦም፡ ዝተፈላለዩ ቅድመ-ምድላዋት ከም ዝተገብረ'ውን ኣቶ ንዋይ ተዛሪቡ። ክልተ መጻምድቲ መከላኸሊ ጥንሲ ከይተጠቕሙ፡ ኣብ ሰሙን ካብ ክልተ ግዜ ንላዕሊ ጾታዊ ርክብ እናፈጸሙ ጥንሲ ክፍጠር እንተዘይኪሉ፡ መኻንነት ከም ዝበሃል ዶክተር ቶማስ ይዛረብ። ዕድመ ናይታ ጓል-ኣንስተይቲ ካብ 35 ንላዕሊ እንተኾይኑ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ ብዘይ መከላኸሊ ጥንሲ ኣብ ሰሙን ካብ ክልተ ግዜ ንላዕሊ ስጋዊ-ርክብ ፈጺሞም ጥንሲ ክፍጠር እንተ ዘይኪሉ ናይ መኻንነት ጸገም ኣሎ ክበሃል ይካኣል። ከይተፈላለዩ፡ ንሓደ ዓመት ዝጸንሑ መጻምድቲ ብዘይ መከላኸሊ ጥንሲ ጾታዊ ርክብ ፈጺሞም ክጠንሱ እንተ ዘይኪኢሎም'ውን ተመሳሳሊ መደምደምታ ክወሃቦ ይኽእል'ዩ። መኻንነት፡ ኣብ ክልቲኡ ጾታ ክክሰት ዝክእል'ዩ። ኣብ ደቂ-ኣንስትዮ ዝኽሰት መኻንነት፡ ምስ ዕድመ ዝተኣሳሰር ወይ'ውን ግዝኡ ከይኣኸለ ናይ ዘርኢ እንቋቑሖ ምውዳእ፣ ምዕጻው ቱቦን ብተደጋጋሚ ብስጋዊ ርክብ ብዝመሓላለፉ ሕማማት ምጥቃዕን ምኽንያት ክኸውን ይኽእል። ምንጪ ናይቶም ጸገማት ብመርመራ ምርዳእ ከም ዝከኣል ዝገልጽ፡ ዶክተር ቶማስ፡ ጠንቂ ናይቲ ጸገም ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ'ዩ ይብል። ገለ ሻብ፡ ምስ ምሉእ ጥዕና ጥንሲ ከይፍጠር ይኽእል'ዩ፤ እዚ ድማ 'ዘይተገልጸ መኻንነት' (Unexplained Infertility) ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ማለት ቴክኖሎጂ ከነጽሮም ዘይክኣሉ ነገራት ኣለው ማለት'ዩ። ኣስታት 20 ካብ ሚእቲ መጻምድቲ ድማ ከምዚ ዓይነት መኻንነት የጋጥሞም። ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ድማ፡ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ሕክምና ክግበረሎም ይክኣል። መኻንነት፡ ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ ልሙድ ጸገም ምዃኑ ዝዛረብ ዶክተር ቶማስ፡ ብፍላይ ምስ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ካልኦት ረኽስታትን ብዝተሓሓዝ መኻንነት እናገደደ ምምጽኡ ይጠቅስ። ዶክተር ቶማስ፡ ንጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም ብምጥቃስ ከም ዝበሎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ15-20 ሚኢታዊ ዝኾኑ መጻምድቲ ግዳያት ናይቲ ጸገም'ዮም። ወዲን ጓልን ማዕረ ግዳያት መኻንነት ክኾኑ ይኽእሉ፤ ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኣጻብዕ ሕብረተሰብ ናብታ ጓል-ኣንስተይቲ ጥራሕ ምጥማተን ግጉይ ኣተሓሳስባ ምዃኑ እቲ ኪኢላ ከይጠቐሰ ኣይሓለፈን። ኣብ 2016 ኣብ ዝወጽአ ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ህዝብን ጥዕናን፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ውሽጢ 5 ዓመታት መጠን ወሊድ ከም ዝነከየ የመልክት። ኣብተን ኣብ ገጠር ዝነብራ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ካብቲ ኣብ 2000 ዓ.ም ዝነበረ 6.0 መጠን ወሊድ ኣብ 2016 ናብ 5.2 ወሪዱ። ኣብ ከተማታት ድማ፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ካብ 3.0 ናብ 2.3 ጎዲሉ። ብሓፈሻ፡ ሓንቲ ጓል-ኣንስተይቲ ኣብ 2000 ዝነበራ 5.5 ማእከላይ ናይ ወሊድ መጥን፡ ኣብ 2016 ናብ 4.6 ምንካዩ እቲ መጽናዕቲ የርኢ። ዶ\/ር ቶማስ ከም ዝብሎ፡ እዚ ሕክምና'ዚ፡ ካብታ ጓል-ኣንስተይቲ እንቋቁሖ፡ ካብቲ ወዲ-ተባዕታይ ድማ ዘርኢ ብምውሳድ፡ ኣብ ቤተ-ፈተነ (ላቦራቶሪ) ከም ዝራኸቡ ብምግባር ጥንሲ ምስ ተፈጥረ፡ ናብ ማህጸን ምስ ተመልሰ፡ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ናይ መኻንነት ሕክምና (IVF) ይበሃል። እዚ ዓይነት ሕክምና ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝፈላለ'ኳ እንተኾነ፡ እቲ ሕክምና ካብ 40-50 ሚእታዊ ክዕወት ይኽእል። ክሳብ ሕጂ ናብቲ ሆስፒታል ካብ ዝኸዱ 200 ዝኾኑ እቲ ኣገልግሎት ረኺቦም ኣለዉ። ካብዚኣቶም 95 ነፍሰ-ጾራት ኮይነን። ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ናይ ወሊድ ኣገልግሎት ዝህብ ናይ መንግስቲ ትካል ኮይኑ፡ ሓደ 'ኣሊክማ' ዝተባህለ ናይ ብሕቲ ትካል ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ክህብ ከም ዝጸንሐ ዶክተር ቶማስ ሓቢሩ። ንሱ ከም ዝብሎ፡ ዋላ'ኳ እቲ ሕብረተሰብ ምስ እምነትን ባህልን ጥቡቕ ምትእስሳር ዘለዎ እንተኾነ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ግን፡ ብቐሊሉ ሓበሬታ ክረኽብ ስለ ዝኽእል፡ በቲ ቴክኖሎጂ ንክሕገዝ ፍቓደኛ ይኸውን ኣሎ። ኮይኑ ግን፡ ኣብ ካልእ ሃገራት ዝስርሓሉ ዘሎ፡ ካብቶም መጻምድቲ ወጻኢ እንቋቑሖ ወይ ዘርኢ ኣምጺእካ ናብ ማህጸን ምምላስ፡ ከምኡ'ውን ምልጋስ እንቋቑሖን ዘርኢን ኣይተለመደን። ሓደ ሓደ ግዜ'ውን፡ ማህጸን ናይታ ኣደ እንተዘይተቐበሎ፡ ናይ ካልእ ሰብ ማሕጸን ምክራይ ኣሎ። ከምዚኦም ዝበሉ ኣገልግሎታት ናይ ሕጊ ጽላልን ንቕሓትን ስለ ዘድልዮም፡ ሕጂ ከም ዘይስራሓሎም ዶክተር ቶማስ ይገልጽ። ናብ ወጻኢ ብምኻድ፡ ብልዑል ወጻኢ ነዚ ዓይነት ሕክምና ዝረኽቡ ከም ዘለዉ ዝገለጸ እቲ ዶክተር፡ ንመጻኢ ነቲ ኣገልግሎት ንምሃብ፡ ምስ ሚኒስትሪ ሓለዋ ጥዕና ይዘራረቡ ከም ዘለዉ ነጊሩና። ከምዚ ዓይነት ሕክምና ንምጅማር ግን፡ መጀመርታ ሕብረተሰብ ከም ዝርዳእ ምግባር ቀዳምነት ምዃኑ'ውን ኣስሚሩሉ። \"ኣብቲ ሕብረተሰብ ቆልዓ ምውላድ፡ ስድራቤት ምምስራት ከም ናይ ሂወት ዕላማ ተጌሩ ስለ ዝውሰድ፡ መኻንነት፡ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊን ቁጠባውን ቅልውላው የስዕብ\" ዝበለ ዶክተር ቶማስ፡ \"በዚ ቴክኖሎጂ'ዚ ብምድጋፍ ኮነ፡ ብኻልእ መልክዑ መፍትሒ ምስ ረኸቡ መጻምድቲ ሕጉሳት ይኾኑ\" ይብል። እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ኣገልግሎት ሕክምና ጽቡቕ መበገሲ ምዃኑ'ውን ይጠቅስ። ኮይኑ ግን፡ ብሰንኪ ዘሎ ድሩት ቁጽሪ ሰብ ሞያን ትካላዊ ዓቕምን፡ ነቶም ክብጽሑ ዘለዎም መጻምድቲ ክበጽሕ ዘይምኽኣሉ'ውን ከይጠቐሰ ኣይሓለፈን። ኣብ ሓደ ዓመት ካብ 1500 ንላዕሊ ዝኾኑ መጻምድቲ ኣገልግሎት ክህብ ዘኽእል ዓቕሚ የለን ይብል እቲ ብዓል ሞያ። ዶክተር ቶማስ መኩሪያ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዘይመልእ ግዜ፡ ካብ 68 ሽሕ ንላዕሊ መጻምድቲ ናብ ሓደ ሆስፒታል ጥራይ ምምጽኦም ዘሰንብድ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ቆጸራ ነዊሑና ኢሎም ዘማርሩ ሰባት ውሑዳት ከም ዘይኮኑ'ውን ተዛሪቡ።","category":"ፍርያምነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51738566"} {"headline":"ቅድሚ 30 ዓመታት ካብ ዝዘሓለ ድቂ፡ መናቱ ቆልዑ ተወሊዶም","content":"ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ተነሲ፡ ቅድሚ 30 ዓመት ዝሒሉ ካብ ዝተቐመጠ ድቂ መናቱ ተወሊዶም። እቲ ፍጻመ፡ ዝነውሐ ዕድመ ካብ ዘለዎ ዝዘሓለ ድቂ ህይወት ዘለዎም ህጻናት ብምውላድ እዚ ናይ ሕጂ ሓድሽ ክብረ ወሰን ከም ዝዀነ እዩ ዝእመን። እቶም ድቂታት ኣብ ሚያዝያ 1992 እዮም -128 ዲግሪ ሴንትግሬድ ኣብ ዝዀነ ፈሳሲ ናይትሮጅን ተቐሚጦም። ራቼል ሪጅወይ ዝተባህለት ኣዶ ድማ ኣብ 31 ጥቅምቲ ነቶም መናቱ ወሊዳቶም። እቲ ፊሊፕ ሪጅወይ ዝተባህለ ኣቦ ነቲ ፍጻመ “ዘስትንክር” ክብል ገሊጹዎ። ሰባት ካብ ዝለገስዎ ድቂታት ልዕሊ 1200 ህጻናት ክውለዱ ከም ዝገበረ ዝገልጽ፡ ሃገራዊ ማእከል ወፈያ ድቂ (ኤን ኢ ዲ ሲ)፡  እቶም ሊድያ ኣንን ጢሞቲ ሮናልድ ሪጅወይን ዝተባህሉ መናቱ፡ ሓድሽ ክብረወሰን ከየመዝገቡ ከም ዝተርፉ ኣፍሊጡ። መረዳእታ እቲ ትካል ከም ዝሕብሮ ቅድሚ ሕጂ፡ ን 27 ዓመታት ካብ ዝዘሓለ ድቂ ኣብ 2020 ዝተወለደት ሞሊ ጊብሰን እያ ነዊሕ እዋን ካብ ዝገበረ ድቂ ናይ ዝተወለዱ ክብረ ወሰን ሒዛ ነይራ። ነቲ ምስግጋር ድቂ  ዘካየደ ዶ\/ር ጆን ጎርደን፡ ሰባት ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝለገሱዎም ድቂታት መሊሶም ወሲዶም ክወልዱዎም ከም ዝኽእሉ ዘረጋግጽ ከምዝዀነ ይገልጽ። እቶም መናቱ ድቂታት ብኣይ ቪ ኤፍ ንዘይተፈለጡ ሰብ ሓዳር ዝተዳለዉ እዮም ነይሮም። እቲ ሰብኣይ ኣብ ክሊ ዕድመ ሓምሳታት ከም ዝነበረ ዝተገለጸ ኰይኑ፡ ካብ ናይ ሓንቲ ጓል 34 ዓመት ንእስቲ እንቋቑሖ ተለጊስሉ ነይሩ። እቶም ድቂታት ክሳብ 2007 ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ቤተ ፈተነ ወሊድ ተቐሚጦም ዝጸንሑ ኰይኖም፡ እቶም መጻምዲ ካልእ ሰብ ክጥቀመሎም ንማእከል ድቂ ኣሜሪካ ሂቦምዎም። ሰብ ሞያ እቲ ማእከል ድማ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ናብ ማህጸን እታ ዝወለደቶም ሰበይቲ ክኣትዉ ገይሮምዎም። እቲ ትካል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ዜና “እቲ ድቂ ናይ ምዕባይ  በረከትን ካልኦት እውን ክፍትንዎ ዘተባብዕ እዩ” ኢሉ። ኣርባዕተ ቆልዑ ዘለዉዎም ብሪጅወይስ ዝፍለጡ ቤተሰብ፡ ንፈለማ ግዘ እዮም ካብ ሰባት ብዝተለገሱ ድቂታት ነዞም መናቱ ወሊዶም ዘለዉ። ፊሊፕ ሪጅወይ ምስ ሲኤንኤን ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት “ኣምላኽ ንሊድያን ጢሞቲን ህይወት ክህቦም እንከሎ ኣነ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ነይረ፤ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ ነታ ህይወቶም ዓቂብዋ ጸኒሑ” ክብል ተዛሪቡ። “ዋላኳ እቶም ብዕድመ ዝነኣሱ ደቅና እንተዀኑ፡ ግን ድማ እቶም ዝዓበዩ እዮም። እዚ ኩነታት ዘስተንክር ነገር ኣለዎ” ኢሉ።","category":"ፍርያምነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyxenq1v932o"} {"headline":"ኣንጻር-ወሊድ፡ ቆልዓ ምውላድ ደው ከተብሉ ዝደልዩኹም ሰባት","content":"ደቂ ሰባት ቆልዑ ክህልዎም የብሎምን ኢሎም ይኣምኑ። እዞም ኣንጻር-ወሊድ ዝኾኑ ሰባት ግን መን'ዮም? እዚ ሓሳብ ክሳብ ክንደይ'ዮም ክደፍኡሉ? ወዲ 29 ዓመት ቶማስ፡ ነባሪ ምብራቕ ኢንግላንድ'ዩ። ብዛዕባ ሓደ ነገር ርግጸኛ'ዩ፤ ሰባት ቆልዓ ክህልዎም የብሉን፡ ናትና ዓሌት ድማ ቀስ ብቐስ ክጸንት ኣለዎ። እዚ፡ ኣንጻር-ልደት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፍልስፍና'ዩ። እዚ ሓሳብ፡ ኣብ እዋን ጥንታዊት ግሪኽ ዝተበገሰ፡ ሎሚ ዘበን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ሓሳብ'ዩ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፌስቡክን ረዲትን፡ ብዙሓት ኣንጻር-ልደት ዝኾኑ ጉጅለታት ኣለው፤ ገሊኦም ኣሽሓት ኣባላት ዘለውዎም'ዮም። ከም ኣብነት፡ ኣብ ኢንስተግራም ዘሎ 'r\/antinatalism' 35 ሽሕ ዝጽግዑ ኣባላት ኣለውዎ። እዞም ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ኣብ መላእ ዓለም ዝተበተኑ፡ ነዚ እምነቶም ዝተፈላለየ ምኽንያት ዘለዎም ሰባት'ዮም። ገሊኦም፡ መበቆላዊ ምውርራስ፣ ቆልዓ ንምርካብ ብዙሕ ዘይምጽማም፣ ኣምር ስምምዕ፣ ጉዳያት ብዝሒ ሕዝብን ስነ ከባብን ከም ምኽንያት የቕርቡ። ምፍራይ ደቂ ሰባት ምብቃዕ ዝብል ድልየቶም ግን ሓደ ይገብሮም። ዋላ'ኳ ውጽእ ዝበለ ምንቅስቓስ ዝገብሩ ጉጅለታት እንተኾኑ፡ ብፍላይ ብዛዕባ መሬት ዘለዎም ኣጠማምታ፡ ቀንዲ ዛዕባ ዘተ ብዙሓት እናኾነ'ዩ። ስድራቤት ንጉሳውያን ቤተሰብ ብሪጣንያ፡ ሓድሽ ቆልዓ ምስ ወለዱ፡ ብምኽንያት ከባቢያዊ ጉዳያት እንተበዝሐ ክልተ ቆልዑት ጥራሕ ክህልውዎም ከም ዝደልዩ ገሊጾም'ዮም። ቶማስ፡ ኣብዚ ሰባት ቆልዑ ክህልዎም የብሉን ዝብል ፍልስፍና ዘለዎ ዝንባለ እንተብርህ፡ \"ብዛዕባ ሓቃዊ ጉዳይ ህይወት ስለ እትመያየጥ፡ ደስ በሃሊ'ዩ\" ይብል። \"ደቂ ሰባት ተጸኒቶም ንበል፤ ዳግም እንተተፈጠሩኸ? እቲ ጸገም ፈቲሕኻዮ ኣለኻ ማለት'ዶ ኣይኮነን'ዩ? ብዙሕ ኢና ንዛተ\"። እዚ ጥራሕ ኣይኮነን፡ \"ህይወት ደቂ ሰባት ትርጉም ኣልባ'ዩ፣ ተሰላቺዩ'ዩ፤ ኣይተዓወተን'ውን\" ኢሉ'ዩ ዝኣምን። እዚ ሓሳብ ዘሰጉሙ ሰባት፡ ኣብዚ ዛዕባ ክዛረቡ፣ ክትዓት ከካይዱ ከለው ጎነጻዊ ምጉብዕባዕ የብሎምን'ዩ ዝብሃል። ቶማስ፡ ህይወት ደቂ ሰባት ከብቅዕ ዘኽእል ዓብዪ ቀይሕ ተጠዋቒ መልጎም ክህልዎ ይሓስብ፤ \"እዚኣ ብቕጽበት ምጠወቕኩዋ ነይረ\" ድማ ይብል። እዚ ኣዝዩ ዘካትዕ ሓሳብ'ዩ። ኣንቀልቲ ናይዚ ሓሳብ፡ ብቐሊሉ፡ ህይወት ምብቃዕ ወይ ምፍጣር ኣብ ፍቓድ እቲ ክውለድ ወይ ክመውት ዝደሊ ሰብ ክኸውን ኣለዎ ይብሉ። ተቐማጢ ቴክሳስ ኪሪክ ብወገኑ፡ ቆልዓ ኣርባዕተ ዓመት ኮይኑ ምስ ኣዲኡ ዝነበሮ ዘተ ዘኪሩ፡ ቆልዓ ምውላድ ምርጫ'ዩ ኢላትኒ ነይራ ኢሉ። \"ብፍቓድካ ሓደ ሰብ ከይደለየ ወይ ቐዳምነት ከይሃቦ ናብዛ ዓለም መጺኡ ክሳቐን ክመውትን ምግባር፡ ንዓይ ትርጉም ኣይህበንን\"። ይኹን'ምበር ብዙሓት ምንባር ዘሐጉሶም ሰባት ኣለው'ዮም። እዞም ጉጅለ ኣንጻር-ልደት፡ ናይ ባዕሎም ተመኩሮ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ብምክፋል፡ ነቶም ጸገም ጥዕና ኣእምሮ እናሃለዎም ቆልዓ ዝወልዱ ሰባት ይኹንኑዎም። \"ስኪዞፍረኒያን ቅዛነትን ነይሩኒ\" ዝብል ቶማስ፡ \"ቅዛነት መላእ ህይወተይ ተቖጻጺሩዎ። ቆልዑ እንተሃሊዮምኒ፡ ደቀይ ካባይ ንላዕሊ ቅዛነት ከጥቅዖም ተኽእሎ ኣሎ፤ በዚ ህይወቶም ኣይክፈትውዎን'ዮም\" ይብል። \"ሰባት ዕቡዳት ይብሉና፤ እቲ ሓቂ ግን ዝያዳ ዝተሓላለኸ ምኻኑ'ዩ\"። እዞም ኣንጻር-ወሊድ ዝጉስጉሱ ሰባት፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘጥቅዑዎም ሓሳባትን ከባቢያዊ ምንቅስቓስን ነንርእሶም ዝገራጨው'ዮም። \"ኣብዚ እዋን ውሉድ ክህልወካ ምሕሳብ ስሰዐ'ዩ\" ዝበለት ተሓላቒት መሰላት እንስሳታት፣ ኣሕምልትን ካብ ፕላስቲክ ናጻ ዝኾነ ከባብን ዝኾነት ፍሊፕኒሳዊት ናንሲ፡ \"ንከባቢ ዝብክሉ ዘለው እቶም ዝውለዱ ቆልዑ'ዮም\" ኢላ። ቆልዓ ዘይምውላድ ዝብል ሓሳብ ዘሰጉሙ ሰባት፡ ልዕሊ ኹሉ ንከባቢ እዮም ዝሕለቑ። ዳይሬክተር ነዚ ኣንጻር ወሊድ ዝኾነ ምንቅስቓስ ዝኹንን ጉጅለ ሮቢን ማይናርድ፡ \"ውሑድ ቑጽሪ ውላድን ስድራን እንተሃልዩና፡ ዝሓሸ ዘላቒ ማሕበረሰብ ክንፈጥር ንኽእል ኢና\" ይብል። ግን፡ ብዝሒ ህዝቢ ስግኣት ከባቢ ድዩ? ሪፖርተር ቢቢሲ ስቴፋን ሄጋርቲ፡ መጻኢ ዕጫ ዓለም ምእማት ስለ ዘይክኣል፡ ከምዚ ምባልስ ከቢድ ምዃኑ ትዛረብ። \"ኣብ መጻኢ ብዙሓት ዝቀያየሩ ነገራት ኣለው'ዮም፤ ስለዚ መጻኢ ዘመን ክንግምቶ ኣይንኽእልን\"።","category":"ፍርያምነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49331208"} {"headline":"ንናይ ወሊድ ሕክምና ዓቕሚ ስለዘይነበረና፡ ኣብ ፌስቡክ 'ስፐርም' ዝልግሰልና ሰብ ናብ ምድላይ ኣቲና'","content":"ግቡእ ናይ ወሊድ ሕክምና ክገብሩ ዓቕሚ ዘይብሎም ገለ ሰባት ቁጽጽር ኣብ ዘይብሎም ናይ 'ፌስቡክ ጉጅለታት' ብምእታው ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ (ስፐርም) ንምሻጥ ወይ ንምልጋስ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ሰብኡት የናድዩ። በዓልመዚ ፍርያምነት ደቂሰባትን ስነ-ድቂን ብሪጣንያ ግና እዚ ሓደገኛ ሳዕቤናት ከም ዘለዎ ክገልጽ እንከሎ፡ ዘይሕጋዊ'ውን ክኸውን ይኽእል እዩ-ኢልዎ። ክሎዊ [መንነታ ንምዕቃብ ስማ ተቐዪሩ እዩ] ካልእ ኣማራጺ ብምስኣን ከምዝገበረቶ ንቢቢሲ ነጊራ ኣላ። ክሎዊን ብጻያን ድቂ ንምሓዝ ንዓመት መመላእታ ድሕሪ ምፍታን ክሰልጦም ኣይከኣለን። ሓኪም ናብ ሓደ ናይ ወሊድ ክሊኒክ ክኸዱ መኺርዎም። መርመራታት ኣብ ስፐርም መጻምድቲ ክሎዊ ጸገም ከም ዘሎ ብምንጻሩ፤ ክወልዱ እንተኸይኖም ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ዝልግስ ሰብ ክርከብ ኣድላዪ ኮነ። እቲ ክሊኒክ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ንምልጋስ ፍቓደኛታት ናይ ዝኾኑ ሰባት ዝርዝር ስማት ሂብዎም። ካብቲ ናቶም ዓሌት፡ ብኻልእ ስድራ ከይተታሕዘ ነጻ ዝጸንሖም ሓደ ለጋሲ ብምርካቦም ኣብ ጥቅምቲ 2017 እቲ 'ኣይቪኤፍ' ዝበሃል ኣብ ላቦራቶሪ ዝግበር እንቋቕሖ ጓል ኣንስተይትን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይን ናይ ምርኻብ ፈተነ ተካዪዱ። ግና ኣይተዓወተን። እቶም መጻምድቲ ናብ ዝበረኸ ሕክምና ናይ ወሊድ ማለት 'ኣይሲኤስኣይ' ክሰጋገሩ እቲ ክሊኒክ መኺሩ። እቲ ሕክምና ዝያዳ ዝኸበረ ኮይኑ፡ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ኣብ እንቋቕሖ ጓል ኣንስተይቲ ብመርፍእ ዝሰርጸሉ ኣገባብ እዩ። እቲ ቀዳማይ ሕክምና ብመንግስቲ ስለዝተሸፈነሎም እቲ ካልኣይ ባዕላቶም ክኸፍልዎ ነይርዎም። ኣብ ሰለስተ ወርሒ መርዓ ቆጺሮም ብምንባሮም እቲ ናይ ሕክምና ወጻኢ ልዕሊ ዓቕሞም ምንባሩ ክሎዊ ትነግር። ሽዑ ኣብ ኢንተርነት ዝልግስ እንተረኸቡ ናይ ምንዳይ ሓሳብ ብምምጻእ፡ ኣባላት ስድራቤታን መሓዙታን መታን ከይፈልጥኣ ናይ ሓሶት ስም ብምጥቃም ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ፌስቡክ ጉጅለታት ድሕሪ ምእታው፤ ሓደ ለጋሲ ረኸበት። እቲ ሰብ፡ ሕክምናውን ናይ ስድርኡን ታሪኽ፡ ሰነድ መርመራ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ምስ ሃባ፡ ብኣካል ክራኸቡ ተቋጺሮም። \"ቅምሶ ኣዳልዩ፡ ክንራኸብን፡ ክህበንን። ሽዑ ኣነ ናብ ዓይኒ-ምድሪ ከይደ እቲ ዝግበር ክገብር፤ ዝኸውን ኣይመስልን እዩ\" ትብል ክሎዊ። ድሕነታ ንምርግጋጽ ሰብኣያ ምስኣ ከይዱ፤ ግና ኣብ መኪና ተጸብዪዋ። ሽዱሽተ ግዜ ፈቲኖምዎ። ክሎዊ ሓንሳእ ጥንሲ ሒዛ እኳ እንተነበረት፡ እቲ ጥንሲ ከይዱ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ርክብ፡ ነቲ ለጋሲ 50 ፓውንድ ነቲ ስፐርም 10 ፓውንድ ድማ ንመጉዓዝያ ይኸፍልዎ ነይሮም። ቁጽጽር ዝግበረሎም ክሊኒካት፡ ንለገስቲ ንመጓዓዝያ ዝኸውን ክሳዕ 35 ፓውንድ ዝኸፍሉዎም እኳ እንተኾኑ፤ ነቲ ስፐርም ምኽፋል ግና ሕጋዊ ከም ዘይኮነ ኣብ ብሪጣንያ፡ በዓልመዚ ፍርያምነት ደቂሰባትን ስነ-ድቂን ይገልጽ። ለበዳ ኮቪድ ኣርኪቡ፡ ምንቅስቓስን ብኣካል ምርኻብን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምስ ኮነ፡ ክሎዊን በዓልቤታን ካልእ ለጋሲ ኣብ ፌስቡክ ረኸቡ። እዚ ናብ ገዝኦም ክመጽእ ፍቓደኛ ብምንባሩ፡ ዝያዳ ሩፍታ ከም ዝፈጠረላ ክሎዊ ትዛረብ። \"ኣብ ዝጠዓመኒ ሰዓት ክገብሮ ኣኽኢሉኒ። ከምቲ ኣብ ሽንቲቤት ዝገብሮ ብተበተብ ካብ ምግባር ድሒነ\" ትብል። ሰሊጥዎም ድማ ክሎዊ ሕጂ ነፍሰ ጾር እያ። \"ሕጉሳት ኢና፤ ኣብዚ ጉዕዞ ነዊሕ ኢና ጸኒሕና። ሕጂ ውላድ ክህልወና እዩ፤ ብዙሕ ኢና ነመስግን\" ኢላ። ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ካብ ለጋሲ ከም ዝረኸቡዎ ንስድርኦም ኮነ ንመሓዙቶም ኣይነገሩን። እቲ ምኽንያት ድማ በዓልቤታ ክወልድ ከም ዘይክእል ሰባት ክፈልጡ ስለዘይደልዩን እቲ ዝፈጸምዎ ተግባር 'ቅኑዕ ከም ዘይኮነ ዝኣምኑ' ሰባት ስለ ዘለውን እዩ ይብሉ። ክሎዊ ምጥናሳ ነቲ ለጋሲ እኳ እንተነገርዎ፡ ለጋሲ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝውለድ ህጻን ዝኾነ መሰል ከም ዘይህልዎን ኣብ ናይ ትውልዲ ሰነድ'ውን ስም በዓልቤታ ከም ዝጸሓፍ ክሎዊ ትዛረብ። እቲ ለጋሲ ቅድሚ ሕጂ ብመገዲ እቶም ቁጽጽር ዝግበረሎም ክሊኒካት ዘርኢ ለጊሱ እኳ እንተነበረ፡ ልዕሊ 10 ግዜ ክልግሱ ኣይፍቀን እዩ፤ ንሱ ድማ ድሮ ነቲ ደረት በጺሑ ነይሩ። ንሳ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ካብ ዝተላለየተን ደቂ ኣንስትዮ'ውን ካልኦት ሰለስተ ቆልዑ ኣለዎ። ብመሰረት እቲ ኣብ 2005 ኣብ ብሪጣን ዝተኣታተወ ሕጊ፡ ካብ ዝተለገሰ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ዝተወለዱ ቆልዑ፡ 18 ዓመት ምስ መልኦም ነቶም ዘርኢ ዝለገሱሎም ሰባት ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም። ክሎዊን ሰብኣያን ግና ብሕክምና ዘገድዶም ኩነታት ክሳዕ ዘይተፈጥረ ንውላዶም ከይነግርዎ ወሲኖም ኣለው። \"ክፈልጡ ኣየድልዮምን እዩ። ቆልዓ ደሊና፡ እቲ እንኮ ኣማራጺ ድማ እዚ መገዲ ጥራሕ እዩ ነይሩ\" ትብል ክሎዊ \"ሰባት ናብ ከምዚ ኩነታት ክኣትው ክግደዱ የብሎምን እብል፤ ግና ን 'ኣይቪኤፍ' ክትከፍል እንተዘይክኢልካ ብዙሕ ኣማራጺ የሎን።\" ኣብ መወዳእታ ክሎዊ ዝተመነየቶ እኳ እንተረኸበት፡ ሓደጋ ክገጥማ ይኽእል ምንባሩ ግና ትፈልጥ እያ። ኣብቲ ናይ ፌስቡክ ጉጅለታት፡ ገለ ለገስቲ ስፐርም እተን ደቂ ኣንስትዮ ጥንሲ ከም ዝሓዛ ምስ ፈለጡ ሃንደበት ኣብ ህይወት እቲ ዝውለድ ህጻን ርክብ ክህልዎም ከም ዝጠልቡ ሰሚዓ እያ። ገለ ለገስቲ'ውን ነቲ ስፐርም ከህብወን ምስ መጹ ጾታዊ ርክብ ከም ዝሓቱ'ውን ትፈልጥ እያ። \"ክትሓቶም ናይ ዘይብልካ ሰባት ዝርዝር ስማት ኣሎ። ግና ዝተፈላለየ ስም ስለዝጥቀሙ ምልላዮም ኣጸጋሚ እዩ\" ትብል። ሓላፊት በዓልመዚ ፍርያምነት ደቂሰባትን ስነ-ድቂን ብሪጣንያ ሳሊ ቸሻይር፡ ኣብዚ እዋን ብኸምዚ ዝኣመሰለ መገዲ ስምምዕ ብምፍጻም ንዝግበር ምውላድ ጸወን ዝህብ ሕጊ ከም ዘየለ ተጠንቅቕ። \"ስምምዕ ብግቡእ መገድን ኣብ ትኽክለኛ ሰዓትን እንተዘይተፈጺሙ፡ ናይ ወላድነት መሰል ዘይክሰጋገር ይኽእል እዩ፤ እቲ ለጋሲ ድማ ብዓይኒ ሕጊ ኣቦ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ እዚ ድማ ኩሉ ናይ ወላድን ፋይናንስያውን ሓላፍነት ክጠልብ እዩ\" ኢላ። ብዘይካ'ዚ ሓፈሻዊ ጥዕናዊ መርመራ ካብ ዘይገበረ ለጋሲ ዘርኢ ምውሳድ ከቢድ ሓደጋታት ከስዕብ ከም ዝኽእል ተጠንቅቕ። \"ቁጽጽር ዝግበረለን ክሊኒካት ብሪጣንያ፡ ነቲ ስፐርም ናይ ብዙሕ ሕማማትን ጀነቲካዊ ስእነት ጥዕናን መርመራ ክገብራሉ እየን ዝሕተታ\"። ቢቢሲ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ዝኾነ ሰብ፡ ብዘይ ፍቓድ ስፐርም ብምሻጥ ሕጊ ይጥሕስ ኣሎ ዝብል ጥርዓን መጺይዎም እንተኾነኑ ንብዙሓት ሓይልታት ፖሊስ ክሓትት እንከሎ፤ ኩላቶም ከምኡ ዝብል ጥርዓን ከም ዘይመጾም ሓቢሮም። ወሃቢ ቃል ፌስቡክ ብወገኑ፡ \"ሰባት ብዛዕባ ምልጋስ ስፐርም ኣብ ፌስቡክ ክዘራረቡ ነፍቅድ እኳ እንተኾንና፡ ነቲ ናይ'ቲ ከባቢ ሕጊ ዝጥሕስ ነገራት ንምልጋስ ምስ ኣኽበርቲ ጸጥታ ብቕርበት ኢና እንሰርሕ\" ኢሉ።","category":"ፍርያምነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56898195"} {"headline":"መርዓት ኣብ ድሮ መርዓኣ ናብ ዒላ ወዲቓ ሞይታ","content":"ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ናይጄርያ፡ ፋጢማ ኣቡበከር እትበሃል ጓል 16 ዓመት መርዓት፡ ሃንደበት ናብ ዒላ ድሕሪ ምእታዋ ህይወታ ሓሊፉ። ፋጢማ ኣቡበከር መርዓኣ ዝሓለፈ ሓሙስ ክካየድ እዩ መደብ ተታሒዝሉ ነይሩ። ኣቦኣ ንቢቢሲ ከምዝተዛረቦ፡ ብረቡዕ እታ መርዓት ኣብ እንዳ ሓትነኣ እናሃለወት፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዒላ ደው ኢላ ድሕሪ ምጽነሓ እያ ሃንደበት ናብቲ ዒላ ወዲቓ። \"ብመርዓኣ ሕጉስቲ ነይራ። ምስ መሓዙታ ትጻወትን ትስሕቕን ጸኒሓ። ምስ ሕጹያ እውን ኣዝዮም ይፋተዉ ነይሮም\" ኢሉ። እቲ መርዓዊ፡ በቲ ኹነታት ሰንቢዱ ብምህላዉ፡ ብቴሌፎን እኳ ክዛረብ ኣይከኣለን። ኣቦኣ ንፋጢማ ከምዝበሎ፡ ንመርዓኣ ዝመጹ ዕዱማት፡ ሕዚ ኣብ ሓዘን እዮም ዘለዉ።","category":"ሕብረተሰብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50792683"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ሕብረተሰቡ ኣኪቡ ዝምህር ተመሃራይ 11 ክፍሊ","content":"ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ዞባ ቦረና፡ ወረዳ መታ ወያ፡ ቀበሌ መታ ኣርባ ተወሊዱ ዝዓበየ ሳሮ ገልገሎ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ መሰናደኦ ቦርቦር ተመሃራይ 11 ክፍሊ እዩ፡፡ ኩሉ ሳዕ ቀዳም ካብቲ ዝመሃረሉ ቤት ትምህርቲ ናብቲ ቤተሰቡ ዝርከቡሉ መታ ኣርባ ንምኻድ 43 ኪሜ ይጓዓዝ፡፡ ሳሮ ኩሉ ግዜ ናብ ከባቢኡ ኣብ ዝኸደሉ፡ ነበርቲ እታ ቁሸት፡ ካብ ተሌፎኖም ዝደልይዎ ቑጽሪ ኣውጺኦም ንምድዋል ክጽገሙ ይርኢ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብተን ምስ ስድራኡ ዘሕልፈለን ቀዳምን ሰንበትን፡ እቶም ነበርቲ፡ ተሌፎኖም ሒዞም ብምምጻእ ናብ ዝደልይዎ ሰብ ደውለልና ይብልዎ፡፡ ሽዑ፡ ‘‘ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ እየ ናብዚ ቁሸት ዝመጽእ፤ ስለዚ ንምንታይ ኣነ ኣብዘየለኹሉ እውን ባዕሎም ኣንቢቦም ክድውሉ ዘይገብር?’’ ክብል ሓሰበ፡፡ ነዚ ሓሳብ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ምስኣካፈሎም፡ ክመሃሩ ተሰማሚዖም፡፡ ‘‘ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ንትምህርቲ ህንጡይ እዩ፡፡ ክትምህሮም እንከለኻ ክንዲ ዝኽእልዎ ብንቕሓት እዮም ዝሳተፉ’’ ይብል፡፡ ሳሮ ምምሃር ኣብ ዝጀመረሉ ዓመት፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ቀዳማይ ብርኪ ከም መምሃሪ ይጥቀም ነይሩ፡፡ እንተዀነ ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ ድርቂ፡ እቶም ነበርቲ ናብ ካልእ ከባቢ ተሰዲዶም፡፡ እዚ ግን ንዕላማኡ ኣየሰናኸሎን፡፡ ኣብቲ ነበርቲ እታ ቑሸት ተፈናቒሎም ዝተዓቘቡሉ ከባቢ ኣኪቡ ምምሃር ቀጺሉ፡፡ ሳሮ፡ ዛጊት ንነበርቲ እታ ቁሸት ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ኣምሂሩ እዩ፡፡ ትምህርቲ ብሰንኪ ኮቪድ ኣብ ዝተቛረጸሉ እውን ይምህር ከምዝነበረ ይገልጽ፡፡ ‘‘ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝዕጸወሉ እዋን ናብ ቁሸተይ ከይደ፡ ነቶም ነበርቲ ኣብ እግሪ ገረብ ኣኪበ እየ ዘምህሮም’’ ዛጊት ልዕሊ 94 ዓበይቲ፡ 123 ድማ ዕድመኦም ካብ 5 ክሳብ 30 ዝዀኑ ተመሃሮ ፊደል ኣቑጺሩ እዩ፡፡ ሳሮ ተመሃሮኡ ብውሑድ መሰረታዊ ፊደል ክፈልዩ ገይሩ እዩ፡፡ ካብዚ ሓሊፉ ቀሊል ሕሳብ ምቕማር ክኽእሉ ገይሩ፡፡ ኣብዚ ዓመት ድማ 112 ሓደስቲ ተመሃሮ፡ ክመሃሩ ከምዝተመዝገቡ ይገልጽ፡፡ ወለዲ ሳሮ ትሸዓተ ቈልዑ ዝወለዱ ኰይኖም፡ ሳሮ መበል ሻብዓይ እዩ፡፡ ካብ ስድራኡ ናይ ቤት ትምህርቲ ዕድል ዝረኸበ እውን ንሱ ጥራሕ እዩ፡፡ ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ብተደጋጋሚ ዝለዓል ድርቂ፡ ካብ ትምህርቲ ክተኣጓጎል ዝኽእለሉ ኣጋጣሚ ከምዝነበረ ይገልጽ፡፡ ‘‘ቤተሰበይ ብድርቂ ዝነበሮም ኩሉ ምስ ሰኣኑ ንባዕለይ ከምህር ወሲነ፡፡ ኣብ ከተማ ቦርቦር ናብ ዝርከቡ ኣዝማድና ከይደ ትምህርተይ ቀጺለ’’ ይብል፡፡ ተመሃራይ ሓምሻይ  ክፍሊ ኰይኑ ሞተር ሳይክል ምዝዋር ከምዝተማህረ ዝገልጽ ሳሮ፡ ስራሕ እናሰርሐ ክሳብ ሻብዓይ ክፍሊ ከምዝተምሃረ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡ ጓል 60 ዓመት ሎኮ ሳራ ዋቆ፡ ኣደ ሸሞንተ ቈልዑ ኰይነን ሳሮ ንሰለስተ ወርሒ ምንባብን ምጽሓፍን ከምዝመሃረን ይዛረባ፡፡ ‘‘ኣርባዕተ ደቀይ እውን የምህር ኣለኹ፡፡ ካብ ስልከይ ሽምን ቁጽሪ ስልኪን ፈልየ ከውጽእ ኣይክእልን ነይረ፡፡ ኩሉ ሻብ እናሓተትኩ እየ መን ከምዝደወለለይ ዝፈልጥ ነይረ፡፡ ሎሚ ግን ባዕለይ ስልኪ ቑጽሪ ምጽሓፍ፣ ኣንቢበ ምፍላይን ይኽእል እየ’’ ብምባል ንሳሮ የመስግና፡፡ ኣቶ ጃተኒ ሶራ እውን ወዲ 50 ዓመት ሰብኣይ እዩ፡፡ መዓልታዊ ምስኡ ዝመሃሩ 41 ሰባት ከምዘለዉ ይገልጽ፡፡ ነዞም ኩሎም ተመሃሮ ዘምህር ሓደ መምህር ጥራሕ ምዃኑ ግን ሕቶ ይፈጥረሉ፡፡ ብተወሳኺ እዚ ሓድሽ ዓመተ ትምህርቲ ምስተጀመረ፡ ናብ ከተማ ተመሊሱ ስለዝኸይድ፡ ትምህርቶም ክተኣጓጎል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎ፡፡ ጣዕሚ ቀለም ፈሊጦም፡ ብርሃን ፍልጠት ርእዮም፡ ትምህርቲ ከቋርጹ ኣይደልዩን፡፡ ኣብ ስልኮም ዘሎ ቁጽርን ሽምን ምንባብ ንክኽእሉ ዝተጀመረ ትምህርቲ፡ ኣብዚ እዋን ብዙሓት ትምህርቲ ክፈትዉን ዝበለጸ ንምምሃር ክደልዩን ከምዝገበረ ሳሮ ይገልጽ፡፡ መምህር ናይ ምዃን ድልየት ኣለካዶ? ዝብል ሕቶ ቢቢሲ፡ ‘‘ወይከ!’’ ዝብል ምላሽ ይህበሉ፡፡ ስለዝጸልኦ ዘይኮነ ግን ምምሕዳር ህዝቢ ከጽንዕ ስለዝደሊ እዩ፡፡ ዋላ'ኳ ዘበነ ትምህር እዚ ዓመት ምስተጀመረ ናብ ከተማ ቦርቦር ከይዱ 12 ክፍሊ ትምህርቱ ዝቕጽል እንተዀነ፡ ኩነታት እቶም ኣብ ቁሸቱ ዘምህሮም ሰባት ግን የሻቕሎ፡፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ እውን ነዚ ስለዝተረድኡ፡ መምህር ተመዲብሎም ትምህርቶም ክቕጽሉ ንምምሕዳር እቲ ከባቢ ከምዝሓተቱ ገሊጾም፡፡","category":"ሕብረተሰብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c88ygp5kp1xo"} {"headline":"ምምሕያሽ ኣዋጅ ሲቪል ማሕበራት ንድሕሪት ከይመልሱ ዘስግኡ ሓደሽቲ መምርሕታት","content":"ድሕሪ እቲ ብ1997 ዓ.ም ዝተኻየደ ሃገራዊ መረጻ መንግስቲ ነቲ ብሕግን ምምሕዳራዊ ጸቕጥታትን ተዳኺሙ ዝጸንሐ ምንቅስቓስ ሲቪል ማሕበራት፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ምምሕያሽ ከም ዘርኣየ ይግለጽ። ነዚ መሰረታዊ ተባሂሎም ካብ ሞንጎ ዝጽርሑ ምኽንያታት ቅድሚ ክልተ ዓመታት ዝተመሓየሸ ንሲቪል ማሕበራት ዘመሓድር ኣዋጅ ይርከቦ። ከምኡ'ውን \"መንግስቲ ነቲ ሲቪል ማሕበረሰብ ኣብ ክንዲ ከም ጸላኢ ምርኣይ ከም መሻርኽቲ ናይ ምውሳድ ፖለቲካዊ ለውጢ ምግባሩ ኣብቲ ዓውዲ ንዝተርኣየ ለውጢ ግደ ኣለዎ\" ዝብሉ ኣለዉ። ሓደሽቲ መምርሕታት ኣብቲ ሲቪል ማሕበረሰብ ቁጠዐን ስግኣትን ኣለዓዒሎም ኣለዉ። ነዚ ኣዋጅ ንምፍጻም ክጸድቁ ትጽቢት ዝግበረሎም 17 መምርሕታት ኮይኖም ካብዚኦም እቶም ኣርባዕተ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ጸዲቖም። ነዚ ጉዳይ ብቕርበት ይከታተሉ ካብ ሞንጎ ዝነበሩ በዓል ሞያ ሕጊ ደበበ ሃይለገብርኤል፡ እዞም ኣካታዕቲ መምርሕታት ነቲ ዋና ሕጊ፣ ዕላማን ግልጺ ድንጋገታትን ዝጻረሩ ከምኡ'ውን እቲ ዝጸደቑሉ መስርሕ ሕጊ ዘይተኸተለ እዩ ይብል። ንልዕሊ 50 ዓመታት ብዝተገበረ ጸቕጢ፡ ቅድሚ ኣዋርሕ ዝጸደቐ ምምሕዳር ስነ-ስርዓት ነቲ ሕጊ ዝጠሓሱ መስርሓት ከም ዝተርኣዩ ድማ ከም ኣብነት ይጠቅስ። \"ብመሰረት እቲ ሕጊ ምምሕዳር፡ ዝኾነ ሕጊ ቅድሚ ምጽዳቑ ንርኢቶ ኣብ ድሕረ ገጽ ጠቕላላ ዓቃቢ ሕጊ ወግዓዊ ክገብሮ ይግባእ ኔሩ\" ይብል። ኣቶ ደበበ ኣብ ምርቃቕ ሕጊ ሲቪል ማሕበራት ተሳቲፉ'ዩ። ቢቢሲ፡ ኣብ ጉዳይ ሲቪል ማሕበራት ዝሰርሕ ኣይሲኤንኤል ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል ብብርኪ ረቂቕ ካብ ሞንጎ ዘለዉ መምርሕታት ኣብቶም ክልተ ዘዳለዎ ትንታነ ተዓዚቡ። እዚኦም፡ ናይ ሲቪል ማሕበረሰብ ትካላት ምዝገባ ምምሕዳር፣ ዝካየድ ክትትል፣ ቁጽጽርን መርመራን ዝጥምቱ'ዮም። ዕላማ ነዞም ማሕበራት ንምቁጽጻር ተባሂሎም ካብ ሞንጎ ዝተቐመጡ ነጥብታት፡ \"ኣሰራርሓ እቶም ትካላት ግልጽነትን ተሓታትነትን ዘለዎ ከምኡ'ውን ንሕብረተሰብ ልዑል ረብሓ ዘርክብ ምዃኑ ምርግጋጽ\" ዝብል እቲ ሓደ እዩ። ኣብዚ ብፍላይ \"ልዑል ረብሓ'' ንትርጉም ዝተቓልዐን ንሲቪል ማሕበራትን ከምኡ'ውን ነቲ ኤጀንሲ ንክትትልን ንምልካዕን ዘጸገም ምዃኑ እቲ ሰነድ የረድእ። ከምኡ'ውን ሕግታት ግልጺ ብዝኾነ ቋንቋ ክጽሓፉ ከም ዝግባእ ዝድንግጉ ዓለም ለኸ ድንጋገታት ኣብ ግምት ዘየእተወ እዩ ብምባል ይነቅፍ። \"እቲ ኤጀንሲ ትካላት ስራሕቶም ብመሰረት ሕጊ ምፍጻሞም ንምርግጋጽ ኣድላይ ኮይኑ ምስዝረኽቦ፡ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ብስሩዕ ክትትልን ቁጽጽርን ምግባር ይኽእል\" ክብል እቲ መምርሒ ኣብ ዓንቀጽ 6 ይድንግግ። ብፍላይ \"ብዝኾነ ይኹን መንገዲ\" ዝብል ሓረግ ነቲ ኤጀንሲ ኣዝዩ ሰፊሕን ንትርጉም ክፍቲ ዝኾነ ስልጣን ዝህብን ንዘይሕጋዊ ኣካይዳታት መገዲ ዝኸፍት እዩ ይብል። ከምኡ'ውን ንዕላማ ክትትልን ቁጽጽርን ክበሃል፡ እቲ ኤጀንሲ ዝተፈላለዩ ረቛሕታት መሰረት ብምግባር ትልሚ ቁጽጽርን ክትትልን ከም ዘውጽእ ይድንግግ። እዚ ሓድሽ ኣሰራርሓ ንልዕሊ 3500 ሲቪል ማሕበራት ንዝቆጻጸር ኤጀንሲ ጸቕጢ ዝፈጥር እዩ ይብል ኣይሲኤንኤል ዘዳለዎ ሰነድ። \"ካልኦት ካብ ትካላት መንግስትን መንግስታዊ ዘይኾኑን ብዝተፈላለዩ መገድታት ዝርከቡ ሰነዳትን መረዳእታትን መሰረት ብምግባር ይፍጸም\" ይብል። እዚ ድማ እቲ ኤጀንሲ ስነ ስርዓት ሕጊ ዘይተኸተሉ ወይ ድማ ዘይሕጋዊ መስርሓት ብምኽታል ዝረኽቦም መረዳእታት ንክጥቀም መገዲ ዝኸፍት፣ ንዓለምለኻውን ሃገራውን ሕጊ ዘይተኸተለ ኣካይዳ እዩ ብምባል ይነቅፍ። \"መርመራ ከም ዝካየድ ወግዓዊ ምግባሩ፡ እቲ ኤጀንሲ ንመሰርሕ እቲ መርመራ የተዓናቕፎ'ዩ ኢሉ እንተድኣ ኣሚኑ፡ ነቲ ጉዳይ ብሚስጥር ብምትሓዝ ሃንደበታዊ ምርመራ ከካይድ ይኽእል'ዩ\" ዝብል መምርሒ'ውን ኣግባብነት ምስ ዘይብሎም ድንጋገታት ተመዲቡ። ብፍላይ ድማ ምስ ድንጋገታት ቻርተር ሰብኣውን ናይ ህዝብን መሰላት ኣፍሪቃ ዝጻረር እዩ ብምባል እቲ ሰነድ ነቒፉ። ኣይተ ደበበ፡ ምዝገባ ዋና ኣዋጅ ዝምልከት ዝርዝር ረቛሕታት ከም ዘቐመጠ ይዛረብ። እዞም መምርሕታት ብፍላይ ክልከላ ዝመስሉን ተወሳኺ ቅድመ ኩነታት ከም ዘቐመጡን እቲ በዓልሞያ ሕጊ ይገልጽ። ገሊኦም ክሳብ ነቲ ኣዋጅ ምጽራር ከም ዝበፅሑን እዚ ድማ ከም ዘሻቕልን የረድእ። ነዚ ከም ኣብነት ካብ ሞንጎ ዝቐረቡ ንምዝገባ ኣድለይቲ ብዛዕባ ዝኾኑ ሰነዳት ዝድንግግ ኣብ ዓንቀጽ 5\/3 ዝሰፈረ ድንጋገገ ይጠቅስ። እዚ፡ ንምዝገባ ክቐርብ ብዛዕባ ዝግባእ ቃለ ጉባኤ ክድንግግ እንከሎ፡ \"ካልኦት ዘድልዩ ጉዳያት ዘካተተ ኮይኑ\" ክቐርብ ኣለዎ ዝብል ኣግባብ ዘይኮነ ቅደመ ኩነት ከም ዝኾነ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ኣብቲ ዋና ሕጊ ዘይተደንገጉ ሓደሽቲ ሕግታት፡ ነዞም መምርሕታት ሒዞም ከም ዝመጽኡ ኸኣ፡ እቲ በዓል ሞያ ሕጊ ይዛረብ። ንምዝገባ ኣብ ዝምልከት መመርሒ ንራእይ፣ ዕላማን ሸቶን ዝምልከቱ ድንጋገታት ዝተወሰኹ ኮይኖም ኣብቲ ዋና ኣዋጅ ግን ነዚ ዝምልከት የለን ኢሉ። ምክትል ዳይሬክተር ኣይተ ፋሲካው ሞላው፡ እቲ ኤጀንሲ እቶም መርሕታት ቅድሚ ምጽዳቖም ዝተፈላለዩ ዘተታት የካይድ ከም ዘሎን ንዝቐረቡ ቅርታት ከም ዘተአናግድን ተዛሪቡ። ዛጊድ ኣርባዕተ መምርሕታት ክጸድቁ እንከለው፡ ሓደ መምርሒ ቦርድ ንከጽድቖ ከም ዝቐረበ ሓቢሩ። ንወፃእታት ምምሕዳር ዘመሓድር፣ ባጀት ሲቪል ማሕበራት ዘመሓድር፣ ንማሕበራት ሞያ ዘመሓድር ከምኡ'ውን ሒሳብ፣ ንብረትን ዕድጊትን ዝምልከቱ መምርሕታት ጸዲቖም ኢሉ። ንህዝባዊ ወፈያ ዝምልከት መምርሒ'ውን ብቦርድ እቲ ኤጀንሲ ክጸድቕ ከም ዝቐረበ፣ ሓሙሽተ መመርሕታት ይዝተየሉ ከም ዘሎን፡ ካልኦት ሸሞንተ መመርሕታት ከኣ ኣብ ምድላው ከም ዝርከቡ ኣይተ ፋሲካው ሓቢሩ። ኣዋጅ ሲቪል ማሕበራት እታ ሃገር ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ምምሕያሽ ተገይርሉ። ኣዋጅ ሲቭክ ማሕበራት ዝበዝሕ ፍልፍል ሃፍተን ኣብ ውሽጢ ሃገር ከተኣኻኽባ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ኣስገዳድ ምስ ተመሓየሸ ከኣ ኣብቲ ዓውዲ ምንቕቓሕ ፈጢሩ'ዩ። እቲ ሓድሽ ኣዋጅ ማሕበራት ንስራሕ ዘድልየን ገንዘብ ካብ ዝኾነ ሕጋዊ ፍልፍል ፋይናንስ ንኽረኽቡ ዘኽኣለ እዩ ይብል ኣይተ ደበበ። እዚ ኣብ ጽርየት ሓይሊ ሰብ ከምኡ'ውን ሲቪል ማሕበራት ኣብ መሰላትን ዲሞክራስን ክሰርሓ ከም ዘኽኣለን ተዛሪቡ። እዚ ሕጊ ቅድሚ ምውጽኡ 1800 ሲቪል ማሕበራት ኣብ ስራሕ ነይረን፤ ሕዚ ግና እዚ ኣሃዝ ናብ 3500 ክብ ኢለን ብመሰረት እዚ ሓድሽ ኣዋጅ ይንቀሳቐሳ ኣለዋ። እዚ ኣዋጅ ዋላ'ኳ ብብርኪ ፌደራል እንተወጽአ ክልላት ተመሳሳሊ ሕጊ ዘይምውጽአን፡ እቲ ምምሕያሽ ልዕሊ እቲ ዝተሓሰበ ከይስጉም ማሕለኻ ኮይኑ ይብል ኣይተ ደበበ። ግንዛበ ብዘይምህላዉ ኣብ ዝተፈላለዩ መሓውራት መንግስቲ ብዘሎ ጸገም ኣረዳድኣን ምምሕዳራዊ ጸገማትን ከም ዘጋጥሙ ተዛሪቡ። እዞም፡ ነቲ ምምሕያሽ ናብ ድሕሪት ይመልሱ'ዮም ዝተባህሉ መምርሕታት ኣብ ዘለውዎ ዝጸድቁ እንትድኣ ኮይኖም፡ ልዑል ስግኣት ዘሕድሩ እዮም ኢሉ። \"ገለ ትካላት ስግኣት ስለ ዘለዎም ኣብ ዘይጸደቑ መምርሕታት ክዝትዩ ከም ዝሓሰቡ ተረዲአ። ከምኡ'ውን ብመሰረት ኣዋጅ ምምሕዳር ክሳብ ቤት-ፍርዲ ናይ ምኻድ ዕድል ከም ዘሎ ዘመላኽቱ ነገራት ኣለዉ። ገሊኦም በዚ እንተድኣ ቀጺሎም ናብ ሞጎት ቤት-ፍርዲ ክበጽሑ ከም ዝኽእሉ ዘመልክቱ ነገራት ኣለዉ\" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ኣይተ ፋሲካው፡ ንልዕሊ 50 ጥምረታት ሲቪል ማሕበራት ብምእካብ ነቲ ረቂቕ ክምልከቱን ከምኡ'ውን ርኢይቶኦም ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዝእክቡ ተዛሪቡ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መድረኽ ዝለዓሉ ሓሳባት ከም ዝምዝገቡን ኩሉ ንምምሕያሽ ከም ዝፍትኑን ተዛሪቡ። \"ዘይንቕበሎ ሓሳብ እንተልዩ'ውን ብግልጺ ክነቐምጦ ኢና፤ እዚ ድማ ኩሉ ተመዝጊቡ ናብ ጠቕላላ ዓቃቢ ሕጊ ንክለኣኽ ይገብር\" ኢሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ ግዘ፡ ንኖርወጅያን ረፊዩጂ ካውንስል፣ ዶብ ኣልቦ ሓኻይምን ኣልማክቱምን ናይ ዝበሃሉ ሰለስተ ሲቪል ማሕበራት ፍቓድ ኣጊዱ'ዩ። ነዚ ሓዊሱ ኣብ ሲቪል ማሕበራት ናይ ቅዋም ለውጢ ክህሉ ከም ዝኽእል ኣፋፍኖት ከም ዝተርኣዩን ስክፍታታት ከም ዘለዉን ኣይተ ደበበ ይዛረብ። ኣይተ ፋሲካው ብወገኑ፡ መንግስቲ ሲቪል ማሕበረሰብ ብዙሕ ኣበርክቶ ይገብር ከም ዘሎ ከም ዝኣምንን ዝኾነ ዓይነት ሓርፋፍ ርክብ ከም ዘየለን ይገልፅ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ እቶም መምርሕታት ጥጡሕ ኩነታት ስራሕ ንክፍጠር ከምኡ'ውን ብሕግን ስርዓትን ዝምራሕ ዘፈር ንምፍጣር ዝዓለመ'ዩ ኢሉ። ኣብቶም መምርሕታት ነዚ ዝቃወም ተኻቲቱ እንተኾይኑ ድማ፡ ቅድሚ ምፅዳቖም ከም ዝመሓየሽ፡ እቲ ሓላፊ ንቢበሲ ተዛሪቡ።","category":"ሕብረተሰብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58391210"} {"headline":"ያታዊ ምኩሻም ዝቕይር ዘሎ 'ኦንላይን ዴቲን'","content":"ጓል 24 ዓመት ኣሌክሲስ ጉተረዝ፡ “ፍቕሪ ህይወተይ ተመርዕየዮ . . . ቲንደር የቐንየለይ” ኢላ ጽሒፋ። ኣብ ቴሌፎናትና ክንጽዕኖ እንኽእል ጾታዊ መጻምድቲ ንምራኻብ ዘገልግል መተግበሪ ዴቲን፡ 'ቲንደር' ካብ ዝጅምር 10 ዓመት ኰይንዎ'ሎ። ቲንደር፡ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣብ ዓለም ኣብ ዘሎ ዕዳጋ ኦንላይን ደይቲን እቲ ዝዓበየ ኰይኑ ጸኒሑ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ልዕሊ 1,500 ተመሳሰልቲ መተግበሪታት ኣለው። እዚኦም ኣብ 2022፡ 2.85 ቢልዮን ዶላር እቶት ከም ዝነበሮም ጸብጻባት የመልክቱ። ንምዃኑ፡ እዚ መተግበሪ ንፍቕሪ፡ ጾታዊ ርክብን ፍቕራዊ ርክባትን ብኸመይ ጸልይዎም? መጻኢኡኸ እንታይ’ዩ? ፍልቀት ኦንላይን ደይቲን እንታይ ከም ዝመስል ብኸፊል ክንርኢ። ናይ መጀመርታ መወዓውዒ ዴቲን፡ ብ1727 [ኣ. ኣ] ከም ዝተነግረ ይሕሰብ። እዚ፡ ኣብ መጽሄት ማንቸስተር ዊክሊ ከም ዝተሓትመን ብሓንቲ “ምቃል ጐድና” ዝዀነ ሰብ ትእልሽ ከም ዘላ ዝገለጸትን እንግሊዛዊት ጓል ኣንስተይቲ ዝተጻሕፈን እዩ ነይሩ። ውጽኢቱ ግን ከምቲ ዝሓሰበቶ’ዶ ኰይኑ? ኣይፋል፤ ኣዐርዩ ካብ ዛንታ ፍቕሪ ዝርሓቐ ደኣ ኰነ። ሄለን ሞሪሰን፡ ብሰንኪ እቲ መወዓውዒ ተቐጺዓ'ያ። እንታይ? ከንቲባ እታ ከተማ ንኣርባዕተ ሰሙናት ስነ ኣእምሮኣዊ ፍወሳ ናብ እትረኽበሉ መዕቈቢ ሰዲድዋ። ሕጂ ግን ዳርጋ ድሕሪ ሰለስተ ዘመናት፡ ኣብ ዓለም ልዕሊ 300 ሚልዮን ሰባት ውልቃዊ ምውዕዋዓት ይገብሩ፣ ናይ ዴቲን መተግበሪታትን ቴክኖሎጅን ተጠቒሞም ወዝባውን ፍቕራውን ዝምድናታት ንምርካብ ላሕ ይብሉ ኣለው። መተግበሪታት ዴቲን ዝውቱራትን ቅቡላትን እናዀኑ’ውን መጺኦም። እዚኦም ቅድሚ ምምጽኦም፡ ብዙሓት ሰባት ‘ጽሙው ልቢ’ ኣብ ዝብል ዓምዲ መጽሄታት ይጽሕፉ ወይ መወዓውዒ ይልጥፉ ነይሮም። ሕጂ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ መተግበሪታት ዴቲን ዝነበረ ኢንታ ተቐንጢጡ እዩ። ኣብዚ ንኽብጻሕ ግን፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ግዜ ሄለን ዝነበረ ኣሉታዊ ግምት፡ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት እቶም መተግበሪታት’ውን ብርክት ዝበለ ነቐፌታታት ሓሊፎም’ዮም። ኣሌክሲስ ጉተረዝ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ቲንደር ኣብ ከባቢኣ ናይ ዘሎ ሓደ ወዲ ተባዕታይ ስእሊ ምሰምጸኣላ ‘right’ ኢላ ከተሕልፎ እንከላ ትስፉውቲ ነይራ። “ንሓደ ወይ ክልተ ሰሙን” ምስ ኣዋግዑ ብኣካል ክራኸቡ ወሲኖም። “መጺኡ [ብመኪና] ክወስደኒ እንከሎ፡ ንሱ ቅሩብ ፈሪሑ ነይሩ ክብል ይኽእል፤ ኣነ ግን ደሓን ነይረ” ትብል። ድሕሪ ትሸዓተ መዓልቲ፡ “ሕራይ” ኢላቶ። “መብዛሕትኦም ደቂ ተባዕትዮ ወዝባዊ ዝዀነ ነገር ስለ ዝደልዩ፡ ፍቕሪ ወይ ሓዳር ክረክብ እየ ኢለ ኣይተጸበኽዎን ነይረ” ትብል ኣሌክሲስ። እንተዀነ፡ እዚ ንኵሉ ሓደ ዓይነት ኣይኰነን። ተቐማጢት ኣሜሪካ ጓል 30 ዓመት ክኢላ ሕሳብ ኤሚ ማሪ፡ “ብዛዕባ ቲንደር ዝዀነ እወንታ ብዛዕባ ምህላው ርግጸኛ ኣይኰንኩን” ትብል። “ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ” በቲ መተግበሪ ብዙሓት ጽዩፋት ወይ ሕማቕ መልእኽታት ከም ዝልእኩ ትዛረብ። ሓደ “ሰላም” ዝብል መልእኽቲ ምስ ሰደደትሉ ናይ ዝልኣኸላ መልእኽቲ ስእሊ ኣርእያትና። “[ምስቲ መተግበሪ] ናይ ፍቕሪ\/ ጽልኢ [love and hate] ዝዀነ ርክብ’ዩ ዘለና። ዝያዳ ግን ጽልኢ” ኢላ። ጓል 35 ዓመት ቼልሲ ስተርሊን ድማ፡ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ኖቲንግሃም ትነብር። ንሳ’ውን፡ ኣብ ቲንደር ዘለዋ ተመኩሮ ኣዝዩ ዘሕዝን ከም ዝዀነ ትዛረብ። “ሰባት፡ ኣክንዲ’ቲ ዝሓስቦ ወይ ዝዛረቦ ኣብ ምስሊ ኣካላተይ’ዮም ትኹረት ዝገብሩ” ኢላ። ኤሚ ማሪ፡ ነዚ መተግበሪ ምጽልኣ ዝተፈልየ ኣይኰነን፣ ጓል ኣንስተይቲ እንተዄንኪ ኣብ መተግበሪታት ዴቲን ሕማቕ ተመኩሮ ክገጥመኪ ልዑል ተኽእሎ ኣሎ። ማእከል መጽናዕቲ ፒው ብ2020 ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ደቂ ኣንስትዮ ክንደየናይ ንግፍዒ ዝተቓልዓ ምዃነን የርኢ። ዕድመአን ካብ 18 ክሳብ 34 ዓመት ካብ ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ እተን 57 ሚእታዊት ዘይሓተትኦ ትሕዝቶ ጾታዊ ርክብ ዘለዎም መልእኽታት ወይ ስእልታት ከም ዝተላእከለን የመልክት። ብተወሳኺ፡ 19 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ኣካላዊ ጉድኣት ከብጽሑ ዝኽእሉ ምፍርራሓት ከም ዝበጽሐን ይገልጽ። ነዚ ተመሳሳሊ ስግኣት ዝተቓልዑ ደቂ ተባዕትዮ 9 ሚእታዊት ጥራይ’ዮም። ተመራማሪት ኢንስቲትዩት ፈረንሳ መጽናዕታት ስነ ህዝቢ [INED] ማሪ ብሪግስቶርም፡ “እዞም መተግበሪታት ካብ ማሕበራዊ ህይወትና ኣዝዮም ዝርሓቑ እዮም። ካብቲ ብመሓዛ፡ ቤተሰብ፡ ስራሕ፡ ቤት ትምህርቲ ዝበሉ ምርኻባት’ውን ዝተፈለዩ’ዮም” ትብል። እዞም መተግበሪታት፡ ውልቃዊ ጉዳያትካ ኣብ ኣደባባይ ክወጽእ ዝገብሩን ብቐሊሉ ከተጥፍኦ ዘይትኽእልን ስለ ዝዀነ፡ ጽልዋኦም ከቢድ ከም ዝገብሮ ተረድእ። ቲንደር፡ ደቂ ኣንስትዮ ድሕነት ክህልወን ከም ዝገብር ይገልጽ። እቲ ኩባኒያ ቴክኖሎጂ፡ ዘቤታዊ ዓመጻት ንምክልኻል ኣብ ሓምለ 2022 ምስ ጉጅለ ጐስጓሳት ‘ኖ ሞር’ ተሓባቢሩ ክሰርሕ ውዕል ኣትዩ። ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፈጻሚት ስራሕ እቲ ኩባኒያ ሪናት ኒቦርግ ግን፡ እቲ መተግበሪ ድሕነት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምሕላው ሕጂ’ውን ጸገማት ከም ዘለውዎ ንቢቢሲ ተዛሪባ ነይራ። ይኹን’ምበር፡ ብሪግስቶርም እቶም መተግበሪታት “ውሑድ ማሕበራዊ ቁጽጽር” ዝግበረሎም ምዃኑ እወንታዊ ሸነኽ እዩ ትብል። “ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዙርያ ጾታዊ ርክብ ብዘለወን ባህርያት ይፍረዳን ኣብ ጾታዊ ርክብ ንቑሓት ምዃነን ኣበራት ይወጽአንን’ዩ። ኣብ መተግበሪታት ኦንላይን ግን ብቐሊሉ ንሓጺር እዋን ዝጸንሑ ርክባትን ካልእን ከማዕብላ ኢና ንዕዘብ። ምኽንያቱ ሰብ ከይፈረደካ ወይ ብዛዕባኻ እንከይተዛረበ ክትገብሮ ዝክኣል ስለ ዝዀነ።\" ስለዚ፡ እዞም መተግበሪታት ካብቲ ዝጭበጥ ማሕበራዊ ናብራ ፍልይ ዝበሉ ምዃኖም ኣዝዮም ንኽፍለጡ ገይሩዎም’ዩ ትብል። ምናልባት፡ ኣብ መጻኢ ኣኼባታት ስራሕ ብሜታቨርስ ዝካየዱ ክዀኑ’ዮም ክብሃል ሰሚዕኩም ትዀኑ። ሜታቨርስ፡ ናትኩም ስጋ ለበስ [ኣቫተር] ኣብ ጥቓ ጠረጴዛ ኰፍ ኢሉ ብልክዕ ከምቲ ብኣካል ምስ መሳርሕትኹም እትገብርዎ ኣኼባ ብ'ቨርቹዋል' [ማንዛ] ክራኸብ እንከሎ ማለት እዩ። እዚ፡ ኣብ ቀጻሊ ኣብቶም መተግበሪታት ደይቲን’ውን ዝርአ ምዕባለ ክኸውን እዩ። “በዚ መገዲ ምስዕዓም፡ ኣካላትካ ምትንኻፍ ይከኣል እዩ” ይብል ሓጋዚ ፕሮፌሰር ተግባበሮ ሰብን ኮምፒዩተርን ዩኒቨርሲቲ ኦክላንድ ዳግለስ ዛይቶክ። እዚ ግን ናይ ባዕሉ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ኣለዎ። ብማንዛዊ ክውንነት - ቨርቹዋል ሪያሊቲ [ቪኣር]፡ ዓሚቕ ምጥሓል ስነ ኣእምሮ ስለ ዝሕውስ፡ እቶም ሕጂ ኣብ ልዕሊ ገለ ተጠቀምቲ ዝወርዱ ዘለው ኣሉታዊ ተመኩሮታት፡ ኣብ ማንዛ ዝገደዱ ክዀኑ ልዑል ተኽእሎ ኣለዎም ክብል ዳግለስ የረድእ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ መተግበሪ ደይቲን ካብ ሸነኽ እቲ እተዕልልዎ ዘለኹም ሰብ ዝቐርብ ድልየት ጾታዊ ርክብ ኣይደለኹሞን ንበል። “ኣብ ቪኣር ግን፡ እቲ ሓሳቡ ዝተነፍጐ ሰብ ኣሉታዊ ቃላዊ ርእይቶ ይህብ ጥራይ ዘይኰነ፡ ነቲ ስጋ ለበስ ምስሉ’ውን ነቲ ዕላማ ክጥቀመሉ ይኽእል’ዩ” ይብል ዳግለስ። እዚ እንታይ ማለት እዩ? ዳግለስ ነዚ ከረድእ እንከሎ፡ “ናይቲ ካልእ ሰብ ኣቫተር ብኣሉታዊ መገዲ ክትንክፎ ይኽእል’ዩ። ሕጂ ዝወጽኡ ዘለው መጽናዕታት ካብ ፍቓድ ወጻኢ ብኻልእ ኣቫተር ክትትንከፍ እንከለኻ፡ ቪኣር እቲ ኣብ ግሃዳዊ ዓለም ዘጋጥም ዘሎ ተመሳሳሊ ስነ ልቦናዊ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል” ኢሉ። ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ቑጽሪ ተጠቀምቲ መተገብሪታት ኦንላይን ዴቲን ልዕሊ 672 ሚልዮን ክበጽሕ’ዩ ተባሂሉ ይግመት። ብሪግስቶርም፡ ናተይ ግምት እዞም መተግበሪታት ዝያዳ መጻምዲ ዝራኸቡሎም ኣማራጺታት ክዀኑ’ዮም ዝብል እዩ ኢላ። ቅድሚ ሕጂ “መጻምዲ እንረኽበሉ ዝተነጸረ ቦታ ኣይነበረን። ሕጂ ግን ኣሎ” ትብል። እዚ ብቐሊል ኣገባብ ከተረድእ እንከላ፡ ናይ ስራሕ ቦታ ብኣብነት ትጠቅስ። ሰባት ኣኼባ ንኽእከቡ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን መአከቢ ኣዳራሽ ኣየድልዮምን። ኣፍቃሪ ወይ መጻምዲ ንምርካብ ድማ ካልእ ርሕቐት ምኻድ፡ ዘመኑ ዝሓለፎ እናዀነ ይመጽእ ኣሎ። “ሕጂ፡ ናብ ባራት ኬድካ ወይ ኣብ ናይ መሓዙት ምትእኽኻባት ተረኺብካ ንዝዀነ ሰብ ምኩሻም ዳርጋ ቅቡልነት የብሉን። እዚ ድማ ንዕኡ ዝዀኑ መተግበሪታት ኣለው ካብ ዝብል ዝምንጩ’ዩ” ትብል። ወሲኻ፡ “ከምቲ ዝበልክዎ እዚ ግምት’ዩ፤ ነገራት ዝያዳ ፈላሊና ክንርእዮም ኣለና። ስለዚ እትሰርሐሉ ቦታ ኣሎ። ኬድካ ስፖርት ትሰርሓሉ ቦታ ኣሎ። ምስ መሓዙትካ እትራኸበሉ ቦታ ኣሎ። ደይት እትገብረሉ ቦታ’ውን ኣሎ” ብምባል ተብርህ። “ምክፍፋላት ማሕበራዊ ህይወት እዩ።\"","category":"ሕብረተሰብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cg31nzq4p20o"} {"headline":"ሽሙን ቋንቋኡን ዘይፍለጥ መወዳእታ ብህይወት ዝነበረ ወደ'ባት ሞይቱ","content":"ኣብ ብራዚል ሓደ ንብሕቱ ብህይወት ተሪፉ ዝነበረ ወደባት ከም ዝሞተ ሰብ መዚ ኣፍሊጦም። እዚ ሽሙ ዘይፍለጥ ሰብኣይ፡ ንዝሓለፉ 26 ዓመታት ካብ ሰብ ተፈልዩ ኣብ ፍጹም ባሕታዊ ህይወት’ዩ ክነብር ጸኒሑ። ዓሚቝ ጕድጓድ ኵዒቱ ይነብር ስለ ዝነበረ ‘እቲ ናይ ጕድጓድ ሰብኣይ’ ተባሂሉ’ዩ ዝፍለጥ ነይሩ፤ ገሊኦም ጐዳጕዲ ንመጻወድያ [ሃድን] እንስሳት ክጥቀመሎም እንከሎ፡ ገሊኦም መሕብኢኡ ነይሮም። ኣስክሬን እዚ ውልቀሰብ ብ23 ነሓሰ ድሕሪ ኣጕዶኡ ኣብ ቃሬዛ መሳሊ ዓራት ተረኺቡ፤ ዝዀነ ዓይነት መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሖ ዘርኢ ምልክታት ከኣ ኣይተረኽበን። ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ከባቢ 60 ዓመቱ ብተፈጥሮኣዊ ምኽንያት ሞይቱ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት። እዚ ሰብኣይ፡ ኣባል ኣብ ከባቢ ሮንዶኒያ ተባሂላ እትጽዋዕ ምስ ቦሊቪያ እትዋሰን ግዝኣት ይነብሩ ናይ ዝነበሩ ‘ታናሩ’ ተባሂሎም ዝጽውዑ ደቀባት ኰይኑ፡ እንኮ ብህይወት ዝጸንሐ ምዃኑ ይንገር። መብዛሕትኦም ኣባላት እዚ ዓሌት፡ ኣብ 1970ታት መሬቶም ከስፍሑ ይደልዩ ብዝነበሩ ሓረስቶት ተቐቲሎም ተባሂሉ ይእመን። ብ1995፡ ብህይወት ዝነበሩ ሽዱሽተ ካብዞም ዓሌት ዘይሕጋዊ ዓደንቲ ብዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ክቕተሉ እንከለው፡ እዚ ሰብኣይ እንኮ ብህይወት ዝተረፈ ኰይኑ ጸኒሑ። ትካል ጕዳያት ደቀ'ባት ብራዚል፡ ብ1996’ዩ ሃለዋት እዚ ሰብኣይ ፈሊጡ፤ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ንድሕነቱ ብዝብል ነቲ ከባቢ ክቈጻጸሮዎ ጸኒሑ። ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ልሙድ ስርሖም ኣብ ዘካይዱሉ ዝነበሩ እዋን እዩ እምበኣር ኣስክሬኑ ኣብ ድሕሪ ሓንቲ ኣጕዶ፡ ብኽንቲት ሕንጻይ ተሸፊኑ ኣብ ቃሬዛ ረኺቦምዎ። ክኢላ ደቀ'ባት ማርሴሎ ዶስ ሳንቶስ ንማዕከን ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ሰብኣይ ክመውት ምዃኑ ስለ ዝፈለጠ' ሰብነቱ ብኽንቲት ሸፊኑ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሉ። “ካልእ ዝዀነ ምልክት መጥቃዕቲ ስለ ዘይነበረ፡ ሞቱ ይጽበ ነይሩ ክኸውን ይኽእል’ዩ” ብምባል፡ ኣስክሬኑ ቅድሚ ምርካቡ ቅድሚ 40 ወይ 50 መዓልታት ሞይቱ ክኸውን ከም ዝኽእል ተዛሪቡ። ብሕማም ተለኺፉ ከይከውን ድማ መርመራ ኣስከሬን ተኻይዱ እዩ። ምስ ሰባት ተራኺቡ ስለ ዘይፈልጥ፡ ዝዛረቦ ዝነበረ ቋንቋ ኣይፍለጥን፤ ዓሌቱ ካበየናይ ብሄር ከም ዝዀነ’ውን ኣይፍለጥን። ብ2018፡ ኣባላት ትካል ደቀ'ባት ብራዚል፡ ኣብቲ ጫካ ክስእልዎ ፈቲኖም ነይሮም። ድሕሪኡ ግን ኣይተራእየን። ኣስክሬን እዚ ውልቀሰብ ዝረኸበ ኣልጋየር፡ እቲ ሰብኣይ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝሰርሖም ልዕሊ 50፡ ሰለስተ ሜትሮ ዝዕምቈቱ ጕድጓድ ዝነበሮም ኣጓዱ ከም ዝነበርዎ ተዛሪቡ። እዚኦም፡ መንፈሳዊ ቦታታት ኰይኖም ከገልግልዎ ጸኒሖም ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም ይብል። ካልኦት ግን መሕብኢኡ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይገልጹ። እቲ ሰብኣይ፡ ዕፉንን ካሳቭን ተኺሉ መዓር’ውን ይእክብ ከም ዝነበረን ከም ፓፓያን ባናናን ዝኣመሰሉ ፍረታት’ውን ተኺሉ ከም ዝነበረን ዘርእዩ መረዳእታታት ተረኺቦም። ብመሰረት ሕጊ ብራዚል፡ ደቀባት ናይ ውርሲ መሬቶም ክጥቀሙ መሰል ኣለዎም፤ ግዝኣት ደቀ'ባት ታናሩ ድማ ካብ 1998 ጀሚሩ ተሓዚኡ ጸኒሑ። ኣብ ዙርያ እቲ 8070 ሄክታር መሬት ዘለው ከባቢታት ንሕርሻ ከገልግሉ'ኳ እንተጸንሑ፡ ነበርቲ ግን ናብቲ ግዝኣት እቶም ደቀ’ባት ከይንኣቱ ተኸልኪልና ዝብል ቅሬታ የቕርቡ ነይሮም። ኣብ ብራዚል፡ ኣስታት 240 ዓሌታት ደቀ'ባት ዘለው ኰይኖም፡ መብዛሕትኦም ካብ ዘይሕጋዊ ዓደንትን ሓረስቶትን ብዝወርዶም መጥቃዕቲ ንሓደጋ ዝተቓልዑ’ዮም።","category":"ሕብረተሰብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw0ge2p1xdro"} {"headline":"ኣዶልፍ ሂትለር ኣብ ዞባዊ ምርጫ ናሚብያ ተዓዊቱ","content":"ኣብ ናሚብያ፡ ሓደ ኣዶልፍ ሂትለር ኦኖና ዝተባህለ ኣባል ገዛኢ ሰልፊ ስዋፖ ዝኾነ ፖለቲከኛ ኣብ ዝተኻየደ ዞባዊ ምርጫ ከምዝተዓወተ ቢልድ ዝተባህለ ፍሉጥ ጋዜጣ ጀርመን ጸብጺቡ። እቲ መብዛሕትኡ እዋን፡ ኣዶልፍ ኦኖና ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፖለቲከኛ፡ ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፍል ናሚብያ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ኦምፑንጃ ዝተኻየደ ምርጫ 85% ድምጺ ብምርካብ ተመሪጹ። ኣብታ ግዝኣት ጀርመን ዝነበረት ናሚብያ፡ ካብቲ እዋን ዝተረፈ ናይ ኣስማት ሓድጊ ክሳብ ሎሚ ኣይሃሰሰን። ገለ ቦታታት'ውን በቲ ጀርመናውያን ገዛእቲ ዝሃብዎ ኣስማት ይጽውዑ ኣለዉ። ቋንቋ ጀርመን ዝዛረቡ ውሑዳን ማሕበረኮማት ከምዘለዉ እውን ይፍለጥ። \"ኣቦይ'ዩ ስም ናይቲ ሰብኣይ ኣውጺኡለይ። ኣዶልፍ ሂትለር እንታይ ትርጉም ከምዘለዎ ዝተረድኦ ኣይመስለንን\" ክብል ኦኖና ንጋዜጣ ቢልድ ተዛሪቡ። \"ሓጺር ስም ኮይኑ ስዝማዓኒ ነይሩ ቆልዓ ከለኹ። እዚ ሰብ ንምልእቲ ዓለም ትሕቲኡ ከእትዋ ደሌት ከምዝነበሮ ምስ ዓበኹ'ዩ ተረዲኡኒ። ኣነ ምስዚ ዘራኽብ ዋላ ሓደ ነገር የብለይን።\" ኣብቲ ናይ ላቲን ፊደላት ዝተጻሕፈ መዝገብ ተወዳደርቲ፡ ሂትለር ብሓጺር ተጻሒፉ ይርከብ። መግዛእቲ ጀርመን ኣብ ናሚብያ፡ ቅድሚ ምምጻእ ሂትለር ናብ ስልጣንን ድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለምን'ዩ ኣብቂዑ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ኣእምሮ ህዝቢ'ታ ሃገር መሪር ተዘክሮ ገዲፉ'ዩ ሓሊፉ። ካብ 1904 ክሳብ 1908 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ሓይልታት መግዛእቲ ጀርመን፡ ልዕሊ 80 ሚእታዊት ህዝቢ ብሄረ ናማን ሄረሮን ቀቲሎም። ተመራመርቲ ታሪኽ ነቲ ግፍዒ \"ዝተረሰዐ ምጽናት ዓሌት\" ክብል ይጽውዕዎ። ናሚብያ፡ ድሕሪ መግዛእቲ ጀርመን፡ ኣብ ትሕቲ ውሑዳት ጸዓዱ ዘመሓድሩዋ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝኣተወት ይፍለጥ። ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኣብ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ብምስታፍ'ዮም ንመግዛእቲ ጀርመን ኣብ ናሚብያ ከምዘብቅዕ ገይሮም። ነታ \"ደቡባዊ ምዕራብ ኣፍሪቃ\" ኢሎም ዝጸውዕዋ ናሚብያ ድማ ከም \"መጉዚት\" ሕቡራት ሃገራት ከመሓድርዋ ጀሚሮም። ድሕሪ ነዊሕ ብረታዊ ቃልሲ ከኣ ኣብ 1990፡ ከቅድሚ ናይ ኤርትራ፡ ናጽነታ ተጎናጺፋ፡ ሓዳስ ሃገር ኮይና። እቲ ኣብ 1966 ብረታዊ ቃልሲ ኣዊጁ ዝተቓለሰ ውድብ 'ስዋፖ' (South West African People's Organisation) ገዛኢ ሰልፊ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።","category":"ሕብረተሰብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55177225"} {"headline":"ኤርትራ፡ መዓልቲ መንእሰያት - እንታይ ንምግባር?","content":"ንዘበናት ብዛዕባ መንእሰይ ብዙሕ ተባሂሉ'ዩ። ኣብ መብዛሕተኡ ሕብረተሰብ፤ መንእሰይ፡ ብቑጽሪ እቲ ዝበዝሐ፡ ብዓቕሚ እቲ ዝሓሸ፡ ብጉልበት እቲ ዝጠንከረ ክፋል ሕብረተሰብ እዩ። ብዝሑ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ዕድሜኡ ጸዓት እዩ፡ ስለዝኾነ ከኣ እዩ ሓዲሽ ሓይሊ ሓዲሽ ደም፡ ሓዲሽ ሓሳብ ዝበሃል። ስለዝኾነ ክሊ ዕድመኡ ፍሉይ ሓላፍነት የሰክሞ። ስለዝኾነ ከኣ እዩ ናይ ለውጢን ምዕባለን ሓይሊ - ዲናሞን ሞተርን ሕብረተሰብ ዝበሃል። ልዕሊ ኹሉ ግን መንእሰይ ተስፋ እዩ። ተስፋ ቐጻልነት ተስፋ ህላዌ ተስፋ መጻኢ ይብል ዶክተር ተስፍኣለም ተኽለ ብዛዕባ ኣህጉራዊ መኣልቲ መንእሰያት 12 ነሓስ ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝገበሮ ዕላል። ኣብ 1965 ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ብውሳነ 2037 (XX) ኣብ አህዛብ ዓለም ሰላምን ርግኣትን ክረጋገጽ፡ ሓድሕዳዊ ክብርን ምትሕግጋዝን ክምዕብል መንእሰያት ተራኦም ንክጻወቱ ከተባባዕ ወሲኑ። ካብ 1965 ክሳብ 1975 ኣብ ዝነበረ ዓሰርተ ዓመታት ከኣ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ መንእሰያት ኣብ ሰለስተ ቀንዲ ጉዳያት፡ ኣብ ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን ጉዳያት ንምብርባር ሰሪሑ። ነብሲ ወከፍ ኣባል ሃገር ከኣ ኣብ መንእሰያታ ቆላሕታ ብምግባር ክትነጣጠፍ ተማሕጺኑ። እዚ ታሪኻዊ እዋን'ዚ መንእሰያት ኤርትራ ብዓመጽ ንዝተጋህሰ መሰሎም ንምምላስ ከቢድ ዋጋ ዝኸፍሉሉ ዝነበሩ እዋናት ምዃኑን፡ ኣብቲ ዳሕረዋይ ዓመታት ከኣ ሕብረ ብሄራዊ መሰላቶም ዝተነፍጉ መንእሰያት ኢትዮጵያ እምቢ ንርግጸት ዘውድን ደርግን ብምባል ቃልሲ ዝኣወጅሉ እዋን ምንባሩን ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ከምእተዓወቱን ይነግር ዶክተር። ታሪኽ ዓለምና ታሪኽ መንእሰያት እዩ። ነብሲ ወከፍ ሃገር ኣብ መንእሰያታ እያ ትምርኮስ። መንእሰያታ እዮም ዝሃንጹዋን ዝሕልውዋን። ኣብ ሕሰማን ጸገማን ቅድሚት ዝስርዑ፡ ኣብ ራህዋኣን ጸጋኣን መገዲ ዘቕንዑ ንሳቶም እዮም ዝበሃል ሓፈሻዊ ዘረባን ብህሎን ከምዘሎ ዝሕብር ዶክተር ተስፍኣለም፡ መንእሰያት ነቲ ዘለውዎ ሃለዋት ባዕላቶም ክዛረብሉ ዝሓሸ ምዃኑ ይሕብር። መንእሰይ ሰናይ ፍስሃየ ንሃለዋት ኤርትራውያን ክገልጽ እንከሎ፡ \"ኣዚ ኣብ ፈቐድኡ ኩርናዕ ዓለም ብሕሰም ተዘርዩ ዘሎ መንእሰይ መርኣያ ሃለዋት ኤርትራ እዩ። ኣህጉራዊ ቴማ ለብዘበን ብቑዕን ውሑስን ትምህርቲ ንመንእሰይ ዝብል እዩ። ግን 'መንእሰይ ኤርትራ ኣብዚ እዋን ኣበይ ኣሎ?' ዝብል ሕቶ ኣልዒልካ ክምለስ ይከኣል እዩ\" ክብል ርእይቶኡ ይገልጽ። ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ሊብያ ንኽልተ ዓመታት ዝኸርተተ ኣማን ሙሉጌታ ብዝብል ስም ክጽዋዕ ዝመረጸ መንእሰይ፡ \" መርኣያ መንእሰያት ኤርትራ ኣነን ዝኸማይን ኢና። ልዕሊ ክልተ ዓመታት ዳርጋ ወርሓዊ ሰብ እናቐበርና ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ጨኒና። መንግስትና ኮነ እዚ ዓለማዊ መዓልቲ መንእሰያት \" ትምህርቲ ንኹሉ ብዝብል ቴማ ክበዓል ዝኣመመ ሕቡራት ሃገራት እውን ደሃይና ኣይገበሩን\" ብምባል ኣብ ህይወቱ ዘጋጠሞ ኣደራዕ ብምዝርዛር፡ \" ዝሓይሽ ደኣ የምጽኣልና እምበር ንሕናስ ኣብ ስቓይ ኢና ዘሎና\" ይብል። ባይቶ ሕቡራት ሃገራት መረዳድኢ ቅዱስ ሓሳብን መርሓን እዩ ዝሕንጽጽ እምበር ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ንዘሎ ጸገማት ክፈትሕ ዓቕምን ክእለትን የብሉን። ግን ንኹሉ ዘጋጥም ጸገማት እናልዓለ፡ ተዛትዩን ተላዚቡን እቲ ሽግር ብሕቡር ቅልጽም ንኽፍታሕ እማመ'ዩ ዘቕርብ። እዚ ለብዘበን ዝበዓል ዘሎ ኣህጉራዊ ዕለት እውን ድሕሪ ክንደይ ጻዕርን ናይ ሓሳብ ምልውዋጥን ዝመጽአ ምዃኑ መንእሰይ ሱሳታት መሓሪ ደስበለ ይገልጽ። ኣብ 1985 እቲ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ርሑቅ ገጠራትን ከተማታትን ዝነብራ ደቀንስትዮን ኣካለ ጉድኣን መንእሰያት ኣቓልቦ ክግበረሎም ጎስጓስ ክካየድ ኣሚሙ። ኣብ ታሕሳስ 1999 ከኣ 12 ነሓሰ ከም መዓልቲ መንእሰያት ክትክበር ወሲኑ። ካብ ሽዑ ክሳብ ሕጂ ከኣ ዝተፈለላየ ቴማታት ብምልዓል ንመንግስታት፡ ሲቪክ ማሕበራት፡ ግዱሳት ውልቀ ሰባትን መራሕቲ ኮምን ብምጉስጓስ ክስራሕ ጸኒሑ። መንእሰይ ዮውሃንስ ዑቕቡ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህሉው ኩነታት ብዛዕባ እዛ ዓለማዊት ዕለት ምንም መረዳእታ ከምዘይጸንሖ እዩ ዝዛረብ። እዛ ዕለት ኣብ 2009 ብዓለም ደረጃ ክትበዓል ክውሰን እንከሎ፡ እቲ ዓቕመ ኣዳም ዝበጽሐ መላእ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ፈቐድኡ ግንባራት ኵናት እታ ሃገር ንኣስታት ዓሰርተ ዓመት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት እዩ ተጸሚዱ ነይሩ። ደሃይ ዓለማዊ በዓልን ዝኽርን እውን ሰሚዑ ከምዘይፈልጥ ከኣ እዩ ዝዛረብ። ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ዓለምና ካብ 10-24 ዓመት ዝዕድመኦም ኣስታት 1.8 ቢልዮን ቖልዑን መንእሰያትን ኣለው። እዚ ኣብ ዓለምና እቲ ዝዓበየ ቁጽሪ መንእሰያት እዩ። ይኹን እምበር ፍርቂ እቶም ካብ ደቂ 6-14 ዓመት ዝዕድመኦም ቖልዑ መባእታዊ ትምህርቲ ተነፊጎም፡ ምንባብን ምጽሓፍን፡ ከምኡ እውን መባእታዊ ቀመር ሕሳብን ስለዘይክእሉ ንመባእታዊ ዕቤት ሕብረተሰብ ዓለምና ብደሆ ኮይኑዎ ከምዘሎ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። ናይ ለብዘበን ቴማ ከኣ፡ \"ጽሩይን ምዕሩይን ስርዓተ ትምህርቲ ንኹሉ\" ብዝብል ቴማ፡ ስርዓት ትምህርቲ ብጽሬቱን ዝርገሐኡን ንክመሓየሽ ብምጥላብ እያ ትብዓል ዘላ። \"ቀዳሞት ኣበዋት፡ ጥቕምን ኣገዳስነት ትምህርቲ ምስ ፈለጡ፡ \"ዘይተማህረ ነየድሕን ዘይተወቕረ ነየጥሕን\" ክብሉ መሲሎም። ኣብ ሓደ እዋን ግን መለኽቲ ስርዓታት 'ምሁር ሓደገኛ 'ዩ - ምሁር ተበላጺ' እዩ ብዝብል ኣንጻር ምሁራት ብዝጉስጉስ ጭርሒ ተኪኦምዎ\" ብምባል፡ ኣብ ዓለምና ብምልኪ ዘመሓድሩ ስርዓታት ክሳብ ዘለው ትምህርትን ምሁራትን ዕንቅፋት ከጋጥሞም ባህሪያዊ እዩ ክብል ውልቃዊ ተመኩሮኡ የካፍል ዶክተር። መንእሰይ ኣማን ሙሉጌታ ከኣ ኣብ ጽንኩር ሃለዋት እናነበረ፡ \"ዘይሓልፍ ጸገምን መከራን ስለዘየለ፡ መንእሰያት ኤርትራ፡ ከም ተቓለስቲ ኣያታቶምን ኣበዋቶምን ሓድነቶም ኣትሪሮም መከራ ሓድሕዶም ተኻፊሎም ክሰርሑን ነዚ ግዝያዊ ጸገም ክስግሩዎን\" ይላቦ። እዛ ዕለት ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን መንእሰያት፡ ንዓለምና ገጢሙዋ ዘሎ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ክዋስኡን ኣብ ለውጥን ምዕባለን ክሳተፉን መዓልቲ ትንሳአ መንእሰያት ኮይና ክትበዓል ካብ ዝውሰን እነሆ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኮይኑ ኣሎ።","category":"ሕብረተሰብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49316036"} {"headline":"ትውልዲ፡ ዓለማዊ መዓልቲ ደቀባት እንታይ እዩ?","content":"ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዝርከቡ ብቑጽሪ ውሑዳት ደቀባት ህዝብታት ንቕሓትን ኣፍልጦን ንምዕባይ ብ1982 ኣብ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝተጋብአ ኣኼባ ጉጅለ ኪኢላታት 09 ነሓሰ ከም ዓለማዊ መዓልቲ ደቀባት ክትበዓል ወሲኑ። ንምዃኑ መን እዩ ወደባት? ነብሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ዓዱን ዓውዱን ወደባ'ት እዩ። ኣብታ ዝተወልደላ፡ ናተይ ዝብላ፡ ወለዱን ዓዱን ዘጽንሑሉ፡ ብውርሻ ዝሓተላ፡ ርስተይ መሬተይ፡ ቤተይ መረበተይ፡ ዓውደይ ታቦተይ፡ ቅርዓተይ መስጊደይ ኣብ ዝብለላ መሬት ወደባት እዩ። እዚ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ \"ደቀባ'ት\" ወይ (ተወለድቲ ሓደ መሬት) ክብል ዘቐመጦ ሓሳብ ከኣ፡ ነቶም ኣብ ሓደ ኣከባቢ ንነዊሕ ዓመታት ክነብሩ ዝጸንሑን ዝነብሩ ዘለውን ቀዳሞት ሰፈርቲ፡ ካብ ዘበናዊ ዓለም ዝርሓቑ፡ መሰረታዊ ልምዓትን ምዕባለን ዘይረኸቡ ወይ ዝጎደሎም፡ ውሑድ ዝቑጽሮም ውሁዳን (ማይኖሪቲ) ሕብረተሰባት እዩ ዘመልክት። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም፡ ቁጽሮም ውሑድ ዘይኮነ ደቀባት ኣህዛብ፡ ኣብቲ መሬትና ርስትና ዝብልዎ ኣከባቢ፡ ካብ ዘበናዊ ዓለም ርሒቖም፡ በቲ ዝለመድዎን ዝረዓምዎን ባህሊ ዝነባበሩ ውሑዳት ኣይኮኑን። ኣብ ታሪኽ ብዙሓት ካብዞም ደቀባት አህዛብ፡ ብሓደስቲ ምጻእ እናተደፍኡን እናተዓብለሉን ክሳብ ኣብ ምጽናት ደረጃ ዝበጽሑ ኣይተሳእኑን። ካብዚ ክውንነት ተበጊሱ ከኣ እዩ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ብውሳነ 49\/214 ብ 23 ታሕሳስ 1994 ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት 09 ነሓሰ መዓልቲ ደቀባት ኮይና ክትበዓል ወሲኑ። ብድሕሪኡ እውን ኣብ ዝተፈላለየ ኣኼባታት፡ ኣብ 1995-2004፡ ብውሳነ 45\/164 ከምኡ እውን ካብ 2005 - 2014 ብውሳነ 59\/174 ንከም ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣከባቢያዊ ውሕስነት፤ ልምዓትን ምዕባለን ትምህርቲ፤ ጥዕና፡ ቁጣባውን ማሕበራውን ጸገማትን ሕጽረታትን ብዝምልከት ዕቱብ ኣድህቦ ክግበረሉን ክስረሓሉን ወሲኑ። ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ጉዳይ ጥዕና ሓደ ካብቲ ንደቀባት ዘጋጥሞም ዝዓበየ ጸገማት ምዃኑ ብምልላይ ንቕሓት ማሕበረ ሰብ ዓለም ብምብራኽ፡ ንቕሓት ብምፍጣር፡ ካብ ምክልኻልን ክሳብ ምፍዋስን ሕማማት ምጥፋእን ዝኸይድ ዘመተ ክካየድ ዘተባብዕን ዝሰርሕን። ኣብ ዓለምና፡ ኣብ ኣስታት 90 ሃገራት ክሳብ 370 ሚልዮን ዝገማገሙ ደቀባት ከም ዘለውን፡ ትሕቲ 5 ሚኢታዊት ህዝቢ ዓለም ከም ዝውክሉን ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይጠቅስ። እዞም ኣስታት 7000 ቋንቋታትን 5000 ዝተፈላለየ ባህልን ከምዘለዎም ዝነገሮም ድኻታት ደቀባት ኣህዛብ፡ ካብቲ ህዝቢ ዓለም ዝነባበረሉ ልሙድን ዓብላልን ልምድታትን ባህልን ፍልይ ዝበለ ቅዲ ኣነባብራ እዮም ዝኸተሉ። ብታሪኽ ክረአ እንከሎ እዞም አህዛብ፡ ኣብ ዝተፋላለየ እዋን ሰብኣዊ መሰላቶም ዝተጋህሰ፡ መሬቶም ዝተወርሰ፡ ግፍዕን በደልን ዝወረዶም እውን እዮም። ኣነባብራን ባህልን እዞም አህዛብ ክኽበርን ክዕቀብን ከኣ እዩ ሕቡራት ሃገራት ክሰርሓሉ ዝጽዕር ዘሎ። ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት (ዕቁድ) ክካየድ ብዝጸንሐ ጻዕሪ፡ ብዛዕባ እቶም ሕብረተሰባት ኣፍልጦን ንቕሓትን ኣበሪኹ ዝምስገን ንጥፈታት ከም ዝተኻየደ ይሕብር። ናይ ለብዘበን በዓል ከኣ \"ቋንቋ ደቀባት ይተዓቀብ\" ብዝብል ቴማ እዩ ዝኽበር ዘሎ። ከም ዝፍለጥ ቋንቋ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ደቂ ሰባት ዓቢ ተራ እዩ ዘለዎ። ሰባት ብቋንቋ እዮም ዝበሃሃሉ፡ ሓሳብ ንሓሳብ ዝለዋወጡ። ይኹን እምበር ምስዚ ኹሉ ኣገዳስነቱ፡ ኣብ ዓለምና ካብ ዘለው ጥንታዊ ቋንቋታት ደቀባት ብዙሓት ይጠፍኡን ይሃሱን ኣለው። መጽናዕቲ ከም ዘረጋገጾ፡ ዳርጋ ኣብ ነብሲ ወከፍ ክልተ ሰሙን ሓደ ካብ ጥንታዊ ቋንቋ ደቀባት ይሃስስን ይዳኸምን ከምዘሎ እዩ ዝንገር። ስለ ዝኾነ ከኣ እዩ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለም ኣስተብህሎ ክትገብረሉ ብምሕላን፡ ናይ ሎሚ ዓመት ቴማ ንዕቃበ ቋንቋ ወፍዩዎ ዘሎ። ኣህጉራዊ መዓልትን ዝኽርን ዝውደበሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ፡ ሰባት ነቲ ዕለትን ኣጋጥምን ተጠቒሞም፡ ክምህሩን ከነቓቕሑን፡ ከምኡ እወን ፖለቲካውያን ኣካላት ነቲ ዝለዓል ሕቶ ተገንዚቦም፡ ክእለትን ንዋትን ህዝቢ ኣተሓባቢሮም ነቲ ዝድለ ዕማም ክገጥሞዎ ስለ ዘተባብዕ እዩ።","category":"ሕብረተሰብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49282198"} {"headline":"ቢዮንሴ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ‘ረናይሳንስ’ ዘርእስታ ሓዳስ ኣልበም ክትዝርግሕ ምዃና ኣፍሊጣ","content":"ቢዮንሴ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ዓመት ንመጀመርታ ግዜ ንበይና ዘዳለወታ ኣልበም ‘ረነይሳንስ’ ኣብ 29 ሓምለ ከምእተውፅእ ኣፍሊጣ ኣላ። ቢዮንሴ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝነበሩ ስእልታታ ካብ እትድምስ ኣትሒዙ ኣድነቕታ ነዚ ዜና እዚ ክጽበይዎ ጸኒሖም እዮም። ሓሙስ ንግሆ \"ኣክት 1...ረነይሳንስ\" ዝብሉ ቃላት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ምስ ለጠፈት ድማ ካብቲ ዝጸንሖም ጭንቀት ኣናጊፋቶም ኣላ። ኣብ ኣፕል ሙዚክ ከምዝተዘርዘረ ‘ረነይሳንስ’ ኣልበም 16 ደርፍታት ዝሓዘት እያ። እቲ \"ኣክት 1\" ዝብል ኣርእስቲ፡ ንብዝሒ ፕሮጀክት ኣልበም ዝገልጽ - እዚ እቲ ቐዳማይ ይዅን ወይ ከኣ እተን 16 ዝበሃላ ደርፍታት ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዝወጽኣ እየን፡ ግን ዛጊት ዝተነጸረ የለን። እታ ጓል 40 ዓመት ዝሓለፈ ዓመት፡ ንሃርፐር ባዛር ሓድሽ ሙዚቃ ክትሰርሕ ከም ዝጀመረት ኣረጋጊጻትሉ ነይራ። \"ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘጋጠመ ዅሉ ጽምዋን ምጕዳል ፍትሕን፡ ኵላትና ንኸነምልጥ፡ ንኽንጓዓዝ፡ ንኽነፍቅር ከምኡ'ውን ንኽንስሕቕ ድሉዋት ዝዀንና እመስለኒ\" ከምዝበለት ይዝከር። \"ህዳሰ ዝቕልቀል ዘሎ ዀይኑ እዩ ዝስምዓኒ፤ ብዝከኣለኒ መጠን ድማ ክፍሊ እቲ ህዳሰ ክኸውን እደሊ እየ። ኣብ ስቱድዮ ካብ ዝኣቱ ዓመትን መንፈቕን ገይረ ኣለኹ።\" እታ ኮዀብ ኣብ 2003 ንበይና ምድራፍ ቅድሚ ምጅማራ፡ ኣብ ብ1997 ኣባል ጕጅለ ዴስቲንስ ቻይልድ ኰይና እያ ደርፊ ጀሚራ። ከም ‘ክሬዚ ኢን ላቭ’፡ ‘ሲንግል ሌዲስ’ን ‘ሆልድ ኣፕ’ ዝኣመሰሉ ደርፍታታ ካብቶም ኣብዚ ወለዶ ዕዉታትን ፅልዋ ዘሕደሩን ደርፍታታ እዮም። ካብ ዝዀነት ትዅን ጓል ኣንስተይቲ ሙዚቀኛ ንላዕሊ 28 ግራሚ ዝተሸለመት፡ 79 ግዜ ድማ ዝተሓረየት ኮዀብ እያ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዝሰርሓታ ሙዚቃ፡ ነቲ ‘ብላክ ላይቭስ ማተር’ ዝብል ምንቅስቓሳት ስዒባ፡ ኣብ 2020 ዝተዘርግሓታ ‘ብላክ ፓሬድ’ ዘርእስታን ደርፊ እያ። እታ ደርፊ ብዛዕባ ታሪኽ ጸለምቲ፡ ጭካነ ፖሊስ ከምኡ'ውን ተቓውሞታት ጆርጅ ፍሎይድ ሓያል ግጥሚ ዝሓዘት ነይራ። እታ ደርፊ ወግዓዊ መወዳእታ ባርነት ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝኽበረሉ መዓልቲ እያ ናብ ሰማዕቲ ቀሪባ።","category":"መዘናግዒ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3ge84l552do"} {"headline":"ጥዕና፡ ሴሊን ዲዮን ዘይፍወስ ሕማም ከምዘለዋ ገሊጻ","content":"ሴሊን ዲዮን፡ ስቲፍ ፐርሰን ሲንድሮም (ኤስፒኤስ) ዝበሃል ሳሕቲ ዝረአ ርእሰ-ብዩን ሕማም ስነ-ኣእምሮ ከምዘለዋ ብመርመራ ምርግጋጻ ኣፍሊጣ። እታ ፈረንሳዊት ካናዳዊት ድምጻዊት፡ ን5.2 ሚልዮን ተኸታተልቲ ኢንስታግራማ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቲ ኩነታት ኣብ ጭዋዳታታ ብዘይቁጽጽር ምጭብባጥ ከም ዘስዕብ ሓቢራ። ኣብ ምስጓምን ምድራፍን ጸገማት ከምዘስዓበላን፡ ብሰንኪ እዚ ድማ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ብሪጣንያን ኣብ ኣውሮጳን ኣብ ዝወጠነቶም ምርኢታት ክትቀርብ ከምዘይትኽእል ገሊጻ። \"ንነዊሕ እዋን ምስ ጸገማት ጥዕናይ ክቃለስ ጸኒሐ'የ\" ትብል ሴሊን ዲዮን። እታ ጓል 54 ዓመት ህቡብቲ ደራፊት ኣብቲ ዝዘርገሓቶ ብስምዒት ዝመልአ ቪድዮ \"ነዞም ብድሆታት ምቅላስን ብዛዕባ ኩሉ ዘሕለፍክዎ ክዛረብን ድማ ናይ ብሓቂ ከቢድ ኮይኑኒ'ዩ\" ኢላ። \"ኣብ ቀረባ እዋን ሓደ ካብ ሚልዮን ሰባት ዝጸሉ 'ስቲፍ ፐርሰን ሲንድሮም' ዝበሃል ኣዝዩ ሳሕቲ ዝረአ ናይ ስነ-ኣእምሮ ጸገም ከም ዘለኒ ተረጋጊጹ ኣሎ።\" \"ብዛዕባ እዚ ሳሕቲ ዝረአ ኩነታት ገና ብዙሕ ዘይፈለጥና’ኳ እንተኾነ፡ ኣብዚ እዋን ግን መንቀሊ እቲ ኩሉ ከጋጥመኒ ዝጸንሐ ምጭብባጥ ጭዋዳታት ምዃኑ ፈሊጥናዮ ኣለና።\" ብምስዓብ ድማ፡ \"እቲ ዘሕዝን ግን እዚ ምጭብባጥ እዚ ንኹሉ መዳያት መዓልታዊ ህይወተይ ዝጸልው ኮይኑ ሓደ ሓደ ግዜ ብእግረይ ክኸይድ ከለኹ ጸገማት የስዕበለይን ከምቲ ዝለመድክዎ ኣውታር ድምጸይ ተጠቒመ ክደርፍ ኣይፈቕደለይን\" ኢላ። \"እዚ ማለት ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ኣውሮጳ ዑደት ምርኢት ዳግማይ ክጅምር ድሉውቲ ከምዘይኮንኩ ክነግረኩም ከለኹ ሓዘን ይስምዓኒ።\" በታ መዐጀቢ ደርፊ ፊልም ታይታኒክ ዝነበረት ‘ማይ ሀርት ዊል ጎ ኦን’ ትብል ደርፋ ብሉጽ ደርፊ ኦስካር ዝተዓወተት እዛ ፍልጥቲ ጓል ኣንስተይቲ ደራፊት፡ ኣብ 2014 በዓል ቤታ ረነ ኣንጀሊል ምስ ሕማም መንሽሮ ኣብ ዝቃለሰሉ ዘሎ እዋን፡ ንሞያኣ \"ንዘይተወሰነ ግዜ\" ደው ከም ተብል ገሊጻ ነይራ። ሓደ ዓመት ጸኒሓ ምርኢታታ ዳግማይ ቀጺላ እኳ እንተነበረት፡ ድሕሪ ሞት በዓል ቤታ ኣንጀሊልን ሓዋ ዳኒኤል ዲዮንን ኣብ መጀመርታ 2016 መሊሳ ካብ መድረኽ ርሒቓ እያ። ኣብ መወዳእታ ኣብ 2019 ስያ፡ ሳም ስሚዝን ዴቪድ ጉታን ዘሳተፈት ‘ካሬጅ’ ዘርእስታ ናይ ስቱድዮ ኣልበም ሒዛ ተመሊሳ። እታ ‘ካሬጅ’ ትብል ኣልበማ ብዓለማዊ ዑደት ምርኢት ዝተደገፈት ነይራ፣ መብዛሕትኡ እቲ ዑደት ግን ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ ክናዋሕ ግድን ኮይኑ። ሰሊን፡ \"ከቢድን ቀጻልን ምጭብባጥ ጭዋዳታት\" ድሕሪ ምምዕባላ፡ ሎሚ ዓመት'ውን ነቲ ናብ መድረኽ ክትምለስ ዝወጠነትሉ ዕለት ዳግማይ ክተናውሕ ተገዲዳ’ላ። ኣብ በርሚንግሃም፡ ግላስኮ፡ ማንቸስተርን ለንደንን ሓዊሱ ሓያሎ ካብቶም ምርኢታት ክናውሑ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ተሰሪዞም እዮም። ሰሊን ብሓሙስ፡ \"ክሓወይ ዝሕግዙኒ ኣብ ጎነይ ዝሰርሑ ጉጅለ ሓካይም\" ከምዘለዉ ገሊጻ። ብተወሳኺ፡ \"ክቡራት ደቃ\" እውን \"ደገፍን ሓገዝን\" ይህብዋ ከምዘለዋ ንደገፍታ ኣረጋጊጻ። \"ሓይለይን ዳግማይ ምርኢት ዘቕርበሉ ዓቕመይን ንምምላስ መዓልታዊ ምስ ናይ ስፖርት ሓኪመይ ኣበርቲዐ ይሰርሕ ኣለኹ፡ እንተኾነ ግን ክቃለስ ከምዝጸናሕኹ ክኣምን ኣለኒ\" ክትብል ገሊጻ። \"ኣነ ዝፈልጦ ምድራፍ ጥራይ እዩ። ሙሉእ ሂወተይ ዝገበርክዎን ኣዝየ ዝፈትዎን'ዩ።\" \"ኣዝየ እየ ዝናፍቐኩም። ንኹልኹም ክርእይ [ከምኡ'ውን] ኣብ መድረኽ ክኸውንን ምርኢት ከቕርብልኩምን ናፊቐ ኣለኹ።\" \"ኩሉ ግዜ ምርኢት ከቕርብ እንከለኹ 100 ሚእታዊት [ተወፋይነት] እየ ዝህብ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ኩነታተይ ከምኡ ክህበኩም ኣይፈቕደለይን'ዩ።\" ብድሕሪኡ ንብዓታ ንምቁጽጻር ከይፈተነት፡ ንደገፍታ ንዝገበርዎ ደገፍ ብምምስጋን፡ ኣብ ጥዕናኣ ካብ ምትኳር ሓሊፋ ካልእ ኣማራጺ ከምዘይብላን ኣብ \"መንገዲ ሕውየት\" ከምዘላ ተስፋ ከምትገብርን ኣስሚራ ተሰናቢታ። ኤስፒኤስ ኣዝዩ ሳሕቲ ዘጋጥም ኩነታት ኮይኑ ብዛዕብኡ እኹል ግንዛበ የለን። \"ምልውዋጥ ጽንዓት ጭዋዳታት ዓንደ-ኣካልን መሓውራትን ከምኡ'ውን ንኸም ድምጺ፡ ምትንኻፍን ስምዒታዊ ጭንቀትን ዝኣመሰሉ ልዑል ተኣፋፍነት ምህላዉን ኮይኑ እዚ ድማ ምጭብባጥ ጭዋዳታት ከበግስ ዝኽእል\" ከምዝኾነ ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት ይገልጽ። ኤስፒኤስ ዘለዎም ሰባት፡ መብዛሕትኡ ግዜ መንድዓት ሓዊሱ ዘይንቡር ኣካላዊ ቁመና ከማዕብሉ ይኽእሉ። ብተወሳኺ ጉድኣት ኣካል ከጋጥሞም፡ ብዓረብያ ስንኩላን ክንቀሳቐሱ፡ ወይ ካብ ዓራት ዘይወርዱ ከምኡ’ውን ክሰርሑን ንነብሶም ክከናኸኑን ኣብዘይክእልሉ ደረጃ ክበጽሑ ይኽእሉ እዮም። \"መብዛሕትኦም ኤስፒኤስ ዘለዎም ውልቀሰባት ንቡር ናይ ምክልኻል ግብረ መልሲ ስለዘይብሎም ብተደጋጋሚ ክወድቁን ከቢድ መጉዳእቲ ከጋጥሞምን ይኽእል።\" ንኤስፒኤስ ዘሕውይ መድሃኒት እኳ እንተዘይሃለወ፡ እቲ ሕማም ከይጋደድ ዘክእሉ ፍወሳታት ግን ኣለዉ።","category":"መዘናግዒ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cjjq835jyz7o"} {"headline":"ኣብ ኤለን ሾው ዝፍለጥ ዲጄ ስቴቨን ‘ትዊች’ ነብሱ ቐቲሉ","content":"ኣብ ኤለን ሾው ዲጄ ኰይኑ ብምስራሕ ዝፍለጥ ስቲቨን ‘ትዊች’ ቦስ፡ ኣብ 40 ዓመቱ ርእሰ ቅትለት ፈጺሙ። ሞት እቲ ፍሉጥ ንመጽሄት ፒፕል ዘረጋገጸት በዓልቲ ቤቱ ኣሊሰን ሆከር፡ “ዓንዲ ቤትና፡ ብሉጽ ኣሚንን ኣቦን ከምኡ ድማ ንደገፍቱ ሓቦ ዘስንቕ ነይሩ” ክትብል ተዛሪባ። ቦስ፡ ኣካል ናይቲ ካብ 2014 ክሳብ መጀመርታ እዚ ዓመት ዝቐርብ ዝነበረ ናይ ኤለን ዲጀንረስ ናይ ቴሌቪዥን ምርኢት እዩ ነይሩ። ኤለን፡ ብሞት እቲ ሳዕስዓይን ተዋስኣይን ኣዝያ ከምዝሓዘነት ብትዊተር ገሊጻ። ኣባላት ፖሊስ ካብ ሓደ ሆቴል ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ህጹጽ ጻውዒት ከምዝተገበረሎምን ግብረ መልሲ ከምዝሃቡን ፖሊስ ሎስ ኣንጀለስ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ። እንተዀነ እቲ ዲጄ ብኻልእ ሰብ መጥቃዕቲ ተፈጺምዎ እንተዀይኑ ዘመላኽት ዝዀነ ምልክት ከምዘየለ ገሊጾም። ኣብ ከም 'ብሌድስ ኦፍ ግሎሪ’ ከምኡ ድማ ‘ሀይርስፕረይ’ ዝበላ ፊልምታት ከም ሳዕስዓይ ኰይኑ ዝተሳተፈ ቦስ፡ ኣብቲ ካብ 2008 ዝተሰርሐ ‘ዩ ቲንክ ዩ ካን ዳንስ’ ዝብል ፊልም ብምውስኡ ህቡብነት ረኺቡ። ካብ ሳዕስዒታቱ ሓንቲ፡ ንሽልማት ብሉጽ ሳዕስዒት ኤሚ ተሓርያ ነይራ፤ ጸኒሑ ድማ ዳይና ናይቲ ምርኢት ኰይኑ። ኣብ ኣላባማ ዝተወለደ ትዊች፡ ኣብ ከም ‘ስተፕ ኣፕ’ ዝበሉ ተኸታተልቲ ፊልምታት ዝተዋሰአ ኰይኑ፡ ኣብ 2020 ድማ ዋና ኣወሃሃዲ መደባት ኤለን ሾው ኰይኑ። ቅድሚ እቲ ንዓመታት ዝጸንሐ ምርኢት ኣብ ግንቦት ምውድኡ፡ ኤለን ንትዊች ፍሉይ ምስጋና ኣቕሪባትሉ ነይራ። “ቅድሚ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት፡ ንህይወተይን ንምርኢትናን ዝቐየረ ሰብ ተፋሊጠ፤ ብዛዕባኻ እየ ዝዛረብ ዘለኹ ትዊች” ክትብል ብሃንደበት ነጊራቶ። “ኣመና እየ ዝፈትወካ. . . “ ብደርፊ ይዅን ሳዕስዒት “ኵሉሻብ ክሕጐስን ክስሕቕን ትገብረኒ” ኢላቶ። ንሱ ብግደኡ “ንዓኽን ነቲ ኣፍሪናዮ ዘለና ቤተሰብን ይፈትወኩም፤ እቲ ኵሉሻብ ዝዝክሮ ድማ፡ ኣነ ባዕለይ ክዀነሉ ዝኽእል ቦታ ከምዝሃብከኒ እዩ” ክብል ብስምዒት ተዛሪቡ ነይሩ። ሳዕሳዒትን መሳርሕቱን ዝዀነት በዓልቲ ቤቱ፡ “ስቴቨን ንዝኣተዎ ገዛ ኵሉ ብርሃን እዩ ዝዀኖ” ክትብል ሓዘና ገሊጻ። እቶም ሓቢሮም ኣብ ዝሰርሑሉ ፊልም ዝተራኸቡ መጻምዲ ሰለስተ ቈልዑ ወሊዶም እዮም። ስነ ጥበባውያን ስፖርተኛታትን ዝርከብዎም ፍሉጣት ሰባት፡ ብሞት እቲ ተዋሳእን ዲጄን ዝተሰመዖም ሓዘን ኣብ ምግላጽን ተዘክሮታቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ምጽሓፍን ይርከቡ።","category":"መዘናግዒ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c721g64ryl1o"} {"headline":"ሰላም ዝሰበኸ ስነጥበባዊ ታሪኩ ብዛዕባ ስምምዕ ሰላም እንታይ ኢሉ?","content":"እታ ዲሽታግና ብትብል ንጽል ደርፉ ተፈታዊ ዝኾነ ታሪኩ ጋንካሲ፡ ኣብ ዝተርኽበሉ መድረኻት ሰላምን ፍቕርን ብምስባኽ ይፍለጥ። እታ ምስ ሰማዕቲ ዘላለየቶን ብስም ሓድሽ ዓመት ብሄረ ኣሪ 'ዲሽታግና' ተባሂላ ዝተሰምየት ቀዳመይቲ ስርሑ፡ ብዛዕባ ፍቕርን ሰላምን እያ ትሰብኽ። ዲሽታግና ኣብ ብሄረ ኣሪ ሓዱሽ ዓመት ብሓባር ዝበልዑሉ፡ ብሓባር ዝሰትዩሉ፡ ዝተባእሱ ዝዕረቑሉ፡ ንዝጸገሞም ዘካፈሉሉን ዝደጋገፉሉን በዓል እዩ። ታሪኩ፡ እታ ደርፊ ምስ ወጸት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ በቲ ፍቕሪ ዘለዎን ዕርቂ ዝሰብኽን ባህሊ ስለ ዝተመሰጠ፡ ነታ ደርፊ ክሰርሕ ከም ዝተደፋፍአ ገሊጹ ነይሩ። ዲሽታግና ምስ ተዘርገሐት ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ድሮ ኣብ ዩቱብ 29 ሚልዮን ግዜ ተራእያ እያ። ተወላዲ ሰኔጋል፡ ብዜግነት ኣሜሪካዊ ዝኾነ ህቡብ ድምጻዊ ኤይክን ነታ ደርፊ ሪሚክስ ገይሩዋ ኣሎ። ኤይክን “. . .ዲሽታግና ኣብዚ እዋን ካብ ዝፈትኽዎም ስራሓት ሓደ እዩ. . .” ክብል ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ገሊጹ እዩ። ኣብ እዋን ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ናብ ውትህድርና ተጸንቢሩ ምንባሩ ዝገልጽ ታሪኩ ብዙሕ ግዜ ኲናት ዘስካሕክሕ ከም ዝኾነ ይዛረብ። ኣብ ትግራይ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተካየደ መድረኽ ጎስጓስ፡ \"ድሕሪ ደጊም ኲናት ይኣክል!\" ብዝብል ብዛዕባ ሰላም መደረ ኣስሚዑ ነይሩ። እዚ ድማ ካብ ዝተፈላለየ ሸነኻት ቁጥዐ ኣልዒሉ። ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ቀሪቡ እናበኸየ ይቕሬታ ​​ሓቲቱ እዩ። \"ብሓቂ 'ድሕሪ ደጊም ኲናት ይኣክል!' ኢልካ ብዛዕባ ሰላም ምስባኽ ይቕረታ የሕትት ድዩ?” ብምባል ኣብ ጎድኑ ደው ዝበሉ ብዙሓት’ውን ነይሮም እዮም። እዚ ምስበለ ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ህወሓትን ኣብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕሪቶርያ ድሕሪ ዝገበርዎ ዘተ ሰላም፡ እቲ ግጭት ከብቅዕ ተሰማሚዖም ኣለው። ብዛዕባ እቲ ስምምዕ ሰላም እንታይ ተሰሚዑካ? ክንብል ንታሪኩ ሓቲትናዮ። ታሪኩ፡ በቲ ስምምዕ ሰላም ዝተሰምዖ ሓጎስ ወሰን ከም ዘይብሉ ይገልጽ። \"ወዲ ሰብ ይሃልዎ ኣይሃልዎ፡ ይመችዎ ኣይመችዎ፡ ሰላም ምስ ዝህሉ እዩ ዝሕጎስ . . . ልክዕ ከምቲ በቲ ዝበልክዎ ክውገዝ ከለኹ ዝነባዕኹ፡ ምስምማዖም ምስ ሰማዕኩ ናቱ ዝኽሪ ክነብዕ ገይሩኒ።\" ታሪኩ፡ ኣብቲ መድረኽ ሙዚቃዊ ስርሑ ከቕርብ ብመንግስቲ ከም ዝተዓደመ ይገልጽ። ብዛዕባ ሰላምን ዕርቅን ክዛረብ ኣቐዲሙ ከም ዝሓሰበሉ’ውን ይዝክር። ሽዑ፡ \"ብረት ኣይምህረናን፡ ኩናት ኣይምህረናን፡ ጸገም ኣይምህረናን፤ ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጲያ ጅግና እዩ፡ ፈራሕ ዝኾነ ሰብ የለን። ኩላትና ሓደ ስለዝኾንና በጃኹም ሰላም እዩ ዘድልየና\" ዝብል መደረ ኣስሚዑ። ታሪኩ፡ ከምኡ ዝበልኩሉ ምኽንያት መወዳእታ ኲናትን ቅርሕንቲን ዕርቂ ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ፡ ሰባት ብኸቢድ ከይተጎድኡ ነቲ ኲናት ከብቅዕዎ ስለ ዝደሊ፡ ከምኡ'ውን \"እንተ ሞይተ ሓቂ ተዛሪበ ክመውት፡ ታሪክ እዩ\" ብምባል ከም ዝኾነ ይገልጽ። \"ከምቲ ንልምዓት ንኣባይ ዝደፈርናዮ፡ ኣነ'ውን ንሰላም ደፊረ\" ክብል ወሲኹ ገሊጹ። ገለ ሰባት ግን \"ነቲ ቦታ ኣብ ግምት ዘየእተወ ዘረባ\" ክብሉ ነቒፎሞ እዮም። እንተኾነ ታሪኩ “ቃል ፈጣሪ ንክትዛረብ ቦታ ምምራጽ ኣየድልየካን እዩ። ብዛዕባ ሰላምን ፍቕርን እየ ተዛሪበ\" ክብል ይምጉት። ታሪኩ ነቲ ርእይቶ ዝሃበ እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ናብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ኣስፋሕፊሑ ኲናት ተጓሃሂሩ \"ወፍሪ ድሕነት\" ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን እዩ ነይሩ። እዚ ድሕሪ ምዝራቡ፡ ዋላ እኳ ብኣካላት መንግስቲ ግፍዒ እንተዘይበጽሖ፡ ብገለ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ውልቀሰባትን ከም ዝተወገዘን ምፍርራሓት ከምዝበጽሖን ይዛረብ። ኣብ ሓንቲ መደበር ቴለቪዥን እታ ሃገር ቀሪቡ እናበኸየ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ይቕረታ ​​ክሓትት ከኣ ተራእዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ዘብከየኒ ሰብ ስለዘይተረድኣኒ እዩ ይብል ታሪኩ። \"ኣብዛ ምድሪ ዘሎ ሰብ ሓቂ ዝጠፍኦ ምዃኑ፡ ብፍላጥ ናብ ዓዘቕቲ እናኣተና ሰላም ጸሊኦም ንቃተል ክብሉኒ ከለዉ፡ ሓቂ ተሸፊኑ፡ ኣነ ከም ሓሳዊ ክፍረድ ከለኹ ንሱ እዩ ዘብከየኒ።\" እሞ እዚ ይቕሬታ የሕትት ​​ድዩ ዝበልናዮ ታሪኩ፡ ይቕረታ ዝሓተተ ብዘረባኡ ስለ ዝተጣዓሰ ዘይኮነስ፡ \"ከምቲ ዝበደሉ ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ዝተበደሉ'ውን ይቕረ ከምዝብሉ\" ፍቕሪ ንምርኣይ ከም ዝገበሮ ይገልጽ። \"የሱስ’ውን ኣብ መስቀል ምስ ተሰቕለ ይቕረ በለሎም ኢሉ እዩ ዝሓተተ፤ ንሱ ዝመሃረና እዚ እዩ። ኣነ’ውን ንሃገረይ ተዋሪደን ተጸሪፈን'የ፡ እዚ ግን ታሪኽ'ዩ\" ይብል። ብሰንኪ እቲ ዝበጽሖ ውግዘትን ነቐፌታን ናብ ትውልዲ ዓዱ ክኸይድ ከም ዝተገደደን ኣብኡ'ውን ካብ ገለ ሰባት ተመሳሳሊ ነቐፌታ ከም ዘጋጠሞን ይዝክር። ታሪኩ ኣብ ቀረባ እዋን \"ረይዳየ\" እትብል ንጽል ደርፊ ኣውጺኡ እዩ። ኣብዛ ደርፊ ድማ ፈጣሪ ሰላም ከውርድ ተማሕጺኑ’ዩ። ድሕሪ እቲ ዝረኸቦ ውግዘትን ነቐፌታን እውን ኣብ ልዕሊ ሰላምን ፍቕርን ዘለዎ ኣረኣእያ ከምዘይተቐየረ ይዛረብ። \"ፈሊጥና፡ ብዘይ ምስትውዓል፡ እናፈለጥና ዝበተናዮም፡ ዘጥመናዮም፡ ሕጂ ድማ ከምቲ ትማሊ ንኲናት ኣበርክቶ ዝገበርናዮ፡ ንሰላም ዘለና ኣዋጺዕና ከከም ጉድኣቱ ነቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ክንሕግዝ ይግባእ። ኣቡኡ ዝሞተ ኣቦ፡ ሓዉ ንዝሰኣነ ሓው፡ ሓፍቱ ንዝሰኣነ ሓፍቲ ክንከውን ኣለና። መንግስቲ ነቲ ህዝቢ ካብቲ ሓዘኑ ክመልሶ ይግባእ\" ክብል ተማሕጺኑ። ድሕሪ እቲ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ ሰላም ኮይና ክርእያ እየ ዝብል ተስፋ ኣለዎ። ሰባት ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ፡ ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ፡ ብዘይ ዝኾነ ናይ ጸጥታ ስክፍታ፡ ክነግዱ፡ ክተሓጋገዙ፡ ንሓድሕዶም ክረዳድኡ ክርእይ ትምኒቱ እዩ። እቲ ፖለቲካዊ ጎንጺ ብዙሕ ሰብኣዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ቅልውላዋት ከም ዘስዓበ ብምሕባር፡ ኩሎም ብሄራት ኢትዮጵያ ንሓድሕዶም እናተፋቐሩ፡ ንሰላም ደው ክብሉን ዘለዎ ንዘይብሉ ብምክፋልን ሰላም ከምጽኡን ይላቦ። \"እቲ ንሰባት ንምቕታል ኣጽዋር ዝግዛኣሉ ገንዘብ፡ ሰባት ዘሐጉስ ነገር ምእንቲ ክገብሩ፡ ነቲ ንሓድሕድና ክንቀታተል ዝገዛእናዮ ኣጽዋር ደርቢና፡ ንዓና ዝጥርንፍን ጥሜትና ዘወግድን ኣጽዋር ክንገዝኣሉ ይግባእ። እዚ ብፍቕሪ ዝኸውን እዩ” ይብል።","category":"መዘናግዒ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72ngjn34lqo"} {"headline":"‘ከይተዓደመ’ ናብ ቤት ጽሕፈት መሸጢ ሳእኒ ስኬቸርስ ዝኣተወ ካንየ ዌስት ተሰጒጉ","content":"ፍሉጥ ኣፍራዪ ሳእኒ ስኬቸርስ፡ ‘‘ከየፍለጠን ከይተዓደመን’’ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ኣትዩ ንዝበሎ ብ ዬ ዝፍለጥ  ራፐር ካንዬ ዌስት ከምዝሰጎጎ ገሊጹ፡፡ እቲ ትካል ምስቲ ራፐርን ዲዛይነርን ናይ ምስራሕ ‘‘ሓሳብ የብለይን’’ እውን ኢሉ፡፡ ዬ ኣንጻር ሴማውነት ዘቕነዐ ዘረባ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምዝራቡ ስዒቡ፡ ክዳውንትን ጫማታትን ስፖርት ዘፍርይ ጀርመናዊ ትካል ኣዲዳስ፡ ምስቲ ራፐር ዝነበሮ ርክብ ከምዝበተኸ ድሕሪ ምግላጹ እዩ ስኬቸርስ ነዚ ስጉምቲ ወሲዱ ዘሎ፡፡ ቢቢሲ ርእይቶ ካንዬ ዌስት ንምስማዕ ናብ ወኪሉ ሕቶ ኣቕሪቡ ነይሩ፡፡ ስኬቸርስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ዬ ናብ ቤት ጽሕፈት እቲ ትካል ሰባት ኣኪቡ ከምዝመጸን ‘‘ዘይተፈቐደሉ ቐረጻ ከምዘካየደን’’ ይገልጽ፡፡ ምስቶም ሰባት ድሕሪ ዝተገበረ ዝርርብ ካብቲ ቤት ጽሕፈት ክወጹ ከምዝተገበረ'ውን ጠቒሱ፡፡ ብተወሳኺ ‘‘ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝገበሮ ከፋፋላይ ዘረባ ንኹንኖ ኢና፡ ከምኡ እውን ጸረ-ሴማውነት ወይ እውን ዝኾነ ናይ ጽልኢ ዘረባ ኣይንጻወርን’’ ኢሉ፡፡ ‘‘ዌስት ከየፍለጠን ከይተዓደመን ምምጽኡ እውን ደጊምና ክነነጽር ንፈቱ፡፡’’ ተጠቃዓይ ሕማም ምልውዋጥ ስምዒት (ባይፖላር ዲስኦርደር) ዝኾነ ዬ፡ ኣብ ቀረባ እዋናት ምስ ብዙሓት ፍሉጣት ትካላት ናብ ምስሕሓብ ዝኣተወ ኮይኑ፡ ብዙሓት ምስኡ ዝነበሮም ርክብ ኣቋሪጾም ኣለዉ፡፡ እዞም ምክራራት ኣብ ኣታዊኡ ከቢድ ክሳራ ከስዕቡ ከምዝኽእሉ ዝግመት ኮይኑ፡ ካብ ዝርዝር ቤልየነራት መጽሄት ፎርብስ ወሪዱ ኣሎ፡፡ እቲ መጽሄት ከምዝሓበሮ፡ እቲ ራፐር ምስ ኣዲዳስ ዝነበሮ ምሕዝነት ብምቁራጹ ዝውንኖ ዝተጻረየ ሃብቲ ካብ 1.5 ቢልዮን ዶላር ናብ 400 ሚልዮን ዶላር ወሪዱ እዩ፡፡ ብምኽንያት ካንዬ ዌስት ዝሃቦ ዘረባ ጸረ-ሴምነት፡ ኣሪ ኢማኑኤል ዝተባህለ ትካል ኢንተርተይንመንት ኩሎም ትካላት ምስቲ ራፐር ዘለዎም ርክብ ክበትኩ ዝጸወዐ ኮይኑ፡ እቲ ራፐር ቅድሚ ሰዓታት ኣብ ኢንስታግራም ምላሽ ሂብዎ፡፡ ‘‘ኣሪ ኢማኑኤል፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ክልተ ቢልዮን ዶላር ስኢነ፣ ብህይወት እውን ኣለኹ፡፡ እዚ ናይ ፍቕሪ ዘረባ እዩ፣ ሐዚ እውን ይፈትወኩም እየ፡፡ ኣምላኽ ይፈትወኩም እዩ፡፡ እቲ ገንዘብ ኣይገልጸንን፣ እቲ ህዝቢ እዩ ዝገልጸኒ’’ ክብል ጽሒፉ፡፡ ዌስት ብምኽንያት እቲ ኣብ ትዊተር ዝለጠፎ ጽሑፍ ጸረ-ሴምነት፡ ትዊተሩ ተዓጽዩ እዩ፡፡ ኣዲዳስ ድሕሪ እቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ምህርቲታት ካንዬ ምሻጥ ብቕልጡፍ ደው ከምዘብል ዝገለጸ ኮይኑ፡ ብሰንኪ ምቁራጽ እቲ ዕዉት ዝነበረ ሽርክና ንግዲ፡ ኣዲዳስ ኣብ 2022 ጥራሕ 217 ሚልዮን ፖውንድ ክስእን እዩ፡፡ ኣብ መፈለምታ እዚ ዓመት እቲ ራፐር ዝኸፈቶ ዓመታዊ 15 ሽሕ ዶላር ዝኽፈሎ ቤት ትምህርቲ ብጊዝያውነት ከምዝዓጸወ እውን ተገሊጹ፡፡ ባንኪ ኢንቨስትመንት ጄፒ ሞርጋንን ትካል ፋሽን ባለንሲያጋን ምስቲ ራፐር ተፈላልዮም እዮም፡፡ ምስ ኤጀንሲ ተውሃቦ (ታለንት) ዝነበሮ ርክብ እውን ተበቲኹ ኣሎ፡፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ምስ ዬ ዝነበሮ ርክብ ዘቋረጸ ጋፕ እውን፡ ምህርቲታት ዪዚ ጋፕ ካብ ድኳናቱን ኦንላይን መሸጣን ብቕልጡፍ ክውገዱ ስጉምቲ ይወስድ ኣሎ፡፡ ትካል ፊልምን ቴሌቪዥንን ኤምኣርሲ፡ ነቲ ራፐር ኣመልኪቱ ዝሰረሖ ዶክመንተሪ ከምዘየመሓላልፎ ብሰኑይ ገሊጹ፡፡ ዬ ዛጊድ ብዛዕባ እቲ ዝሃቦ ጸረ-ሴማዊ ዘረባ ይቕረታ ኣይሓተተን፣ ብ 15 ጥቅምቲ ድማ ድሪንክ ቻምፕየንስ ኣብ ዝተባህለ ፖድካስት ንዘረብኡ ክከላኸል ተሰሚዑ፡፡","category":"መዘናግዒ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c145x444nzno"} {"headline":"ኤርትራ፡ ኮመዲ ዮናስ ምሕረትኣብ (ማይናስ) ንኣፍሪቃዊ ሽልማት ተሓጽያ","content":"ብኤርትራዊ ዮናስ ማይናስ ዝተሰርሐት ብዓረባዊ ቅዲ ዝተዜመት 'ሓሚዳ' ዘርእስታ ደርፊ ንኣፍሪቃዊ ሽልማት ተሓጽያ። ኣብቲ ኣፍሪማስ 'ኦል ኣፍሪካን ሙዚክ ኣዋርድ' ዝተሰምየት ሽልማት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ማእከላይ ኣፍሪቃ፣ ሰሜን ኣፍሪቃ፣ ደቡባዊ ኣፍሪቃን ምዕራብን ኣፍሪቃን ብዝብል ንኣፍሪቃ ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት ብምምዳብ እዩ ሽልማታት ዝዕድል። ኮመዲ ሓሚዳ ናይ ዮናስ ማይናስ፡ ኣብቲ Best Artist, Duo or Group in African Traditional ብዝብል ምድብ ምስ 11 ካልኦት ደርፍታት'ያ ንሽልማት ተሓጽያ ዘላ። ዮናስ ምሕረት ኣብ ስርሓት ኮሜዲ ኣብ ምእላይ 'ቪድዮ ክሊፕ' እውን ዓቢ ክእለት ዘለዎ ስነ-ጥበባዊ እዩ። ከም መርኣይኡ ድማ ኣብቲ ዓመታዊ ብሻሞት ዝውሃብ ሽልማታት ኣብ 2018 ብሓሙሽተ ዓውድታት ኣብ 2019 ከኣ ብተመሳሳሊ ብሓሙሽተ ዓውድታት ክሽለም ክኢሉ'ዩ። እታ ኣብ 2018 ብጽቡቕ ኣተኣላልያ (ዳይሬክቲንግ) ዝተሸለመት 'ክንራኸብ ኢና' ዘርእስታ ደርፊ ቃልኣብ ተወልደመድህንን ኣብ 2019 ብጽቡቕ ኣተኣላልያ ዝተሸለመት 'ጎነይ' ዝኣርእስታ ደርፊ ናይ ኣብርሃም ኣለምን ዮናስ ምሕርትኣብን ማይናስ እዩ ኣልይወን። ብዘይካ ዮናስ ማይናስ Best African Acts in the Diaspora ኣብ ዝብል ምድብ ኤርትራዊት ኔዜርላንዳዊት ሪሞን'ውን ምስ ሸውዓት ስነ ጥበባውያን ንሽልማት ተሓጽያ ኣላ። ኣብ ኤርትራ ዝተወለደት ሪሞን እግሪ ተኽሊ እንከላ'ያ ምስ ኣዲኣ ናብ ስደት ኣምሪሐን። እዛ ኣብ ቅዲ ሙዚቃ ኣር ኤንድ ቢ እትነጥፍ ስነ ጥበባዊት ጓል 23 ዓመት፡ መብዛሕትኡ ደርፍታት ምስ ድሕረ ባይትኣ፡ ምስ ስደትን ኣብ ስደት ኮይንካ ዘጋጥመካ ኣድልዎን ናይ መንነት ቅልውላውን ዝቃኒ'ዩ። ኣብ Best Female Artist in Eastern Africa ኣብ ዝብል ምድብ'ውን ኤርትራዊት ሜሪ ዘርኣብሩኽ ምስ 9 ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ንሽልማት ተሓጽያ ኣላ። ሜሪ ዘርኣብሩኽ ኣብ ቅዲ ሙዚቃ ሂፕ ሆፕ ዝያዳ እትነጥፍ ድምጻዊት ኮይና፡ ብቋንቋታት ትግርኛን እንግሊዘኛን እያ ትደርፍ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ኸኣ ልዕሊ 400 ደርፍታት ን30 ኣህጉራውን ን10 ዞባውን ሽልማታት ተሓጽየን ኣለዋ። ዕውታት ካብ 19 ክሳብ 21 ሕዳር ኣብ ናይጀርያ ከተማ ሌጎስ ኣብ ዝካየደ ናይ ዕዉታት ምርቋሕ ስነስርዓት ሽልማቶም ክወስዱ'ዮም። Best Male Artist in Eastern Africa ኣብ ዝብል ምድብ ኢትዮጵያዊ ድምጻዊ ሊጅ ማይክ ንሽልማት ተሓጽዪም ካብ ዘለዉ'ዩ። ኣፊሪማ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኦል ኣፍሪካን ሙዚክ ኣዋርድ ዓመታዊ ኣብ ውሽጢ ኣፍሪቃን ካብ ኣፍሪቃ ወጻንእ ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ስነጥበባውያን ሽልማት ዝዕድል ኮይኑ ብምትሕብባር ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ 2014 ዝተመስረት እዩ። ኣብ ዞባዊ ሽልማታት 10 ዓይነታት ሽልማታት እዮም ዝውሃቡ። ኣብ ኣህጉራዊ ሽለማታት ኸኣ ዝብለጸ ወይ ዝበለጸት ድምጻዊ እዚ ዓመት፡ ዝበለጸት ኣልበም እዚ ዓመት፡ ዝበለጸ ድምጻዊ ወይ ድምጻዊት እዚ ዓመት፡ ዝብለጸ ባህላዊት ደርፊ እዚ ዓመት፡ ዝለጸ ኣብ ደገ ዝቅመጥ ኣፍሪቃዊ ድምጻዊን ካልእን ዝብል ሰላሳ ሽልማታት ክውሃብ እዩ።","category":"መዘናግዒ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58780695"} {"headline":"ኪም ካርዳሽያን ምስ ካንየ ዌስት ንምፍልላይ 'ናይ ፍትሕ ወረቐት ኣእትያ'","content":"ኪም ካርዳሽያን ካብ ፍሉጥ ስነ-ጥበባዊ ራፐር ካንየ ዌስት ክትፋታሕ ከም ዝሓተት መራኸቢ ብዙሓን ኣሜሪካ ጸብጺበን። ንሳቶም ንከባቢ ሸውዓተ ዓመታት ብሓባር ኣብ ሓዳር ዝጸንሑ ኮይኖም ኣርባዕተ ቆልዑ ወሊዶም ኣለው። ኣብ መንጎኦም ዘይምርድዳእ ተኸሲቱ ከም ዝነበረ ክውረ ከምዝጸንሐን እቲ ዜና ድማ ንፈለማ ብመርበብ ሓበሬታ ቲኤምዚ'ዩ ተዘርጊሑ። ንሳቶም ግን ዛጊት ዝሃብዎ ሓበሬታ የለን። ክልቲኦም በብመገዶም ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ፍሉጣት ሰባት እዮም። ኪም፡ ፈለማ በቲ ኣብ ቴለቪዥን ብዛዕባ ስድራቤታ ብእተቕርቦ ተኸታታሊ መደባት ኣብ 2007 እያ ህቡብነት ኣጥርያ። ንሳ ኣብ መተግበሪታት ሞባይልን ስነጽባቐን ዝርከብዎም ካልእ ዓውድታት ቢዝነስ'ውን ተዓዊታ እያ። ከባቢ 780 ሚልዮን ዶላር ሃብቲ ከም ዘለዋ ፎርብስ ይሕብር። ኣብ ሙዚቃ ራፕ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ካንየ ዌስት ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ሓደ ካብቶም ኣብ ቅድሚት ዝጥቀሱ ኮይኑ ኣሎ። ካንየ ተዓዋቲ ግረሚ ኣዋርድ ኮይኑ ኣብ ዓውዲ ፋሽን'ውን ዝተዓወተ ዲዛይነር እዩ። ክልቲኦም ናብ ሓዳር ቅድሚ ምምርሖም ንዓመታት ብምሕዝነት ክጸንሑ እንከለው፤ ካንየ ኣብ 2010 ኣብቲ ኪም እተቕርቦ ናይ ቴለቪዥን ምርኢት ቀሪቡ ነይሩ። ቦኽሪ ጓሎም፡ ኖርዝ ሰነ 2013 ድሕሪ ምውላዳ ድሕሪ ሓደ ዓመት፤ ካነየ ንኪም ንመርዓ ኣብ ዝሓተተሉ፡ ንፍሉጥ ሜዳ ኩዕሶ ሰኪዐት ሳንፍራንሲስኮ ጃያንትስ ተኻርዩ፡ ብኦርኬስትራ ሙዚቃ ተሰንዩ ኣብ ቅድሚ ስድራቤታ እዩ ገይርዎ። ግንቦት 2014 ኣብ ጥልያን ክምርዓው እንከለው እናተሰዓዓሙ ዝተወስደ ስእሊ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ኢንስታግራም ብብዝሒ ላይክ ዝተገበረ ስእሊ ምንባሩ ይፍለጥ። ኣብ ዝቐጸለ ዓመት ወዶም ሰይንት ዌስት ተወሊዱ። ብድሕሪኡ ግና ኪም ኣብ እዋን ሕርሲ ብዘጋጠማ ናይ ጥዕና ጸገማት ክልተ ደቆም ብመተካእታነት ማለት ብማህጸን ካልእ ጓል ኣንስተይቲ ከም ዝውለዱ እዮም ጌሮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካንየ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ንምዃን እኳ እንተተወዳደረ ኣይሰለጦን። ንሱ፡ ኣብ እዋን ፕረዚደንታዊ ጎስጓስ ኣብ ዝገበሮ መደረታት ብዙሕ ዘስደምም ዘረባ ከምዝተዛረበን፤ ኪም ብዛዕብኡ መብርሂ ክትህብ ከምዝተገደደትን ይፍለጥ። ንሳ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ ሰብኣያ ናይ ስነ-አእምሮኣዊ ጸገም ከም ዘለዎ ድሕሪ ምንጋር፡ \"በሊሕ ግና ዝተሓላለኸ ሰብ\" ምዃኑ ብምግላጽ ህዝብን መራኸቢ ብዙሓንን ጸገሙ ክርድኡሉ ሓቲታ።","category":"መዘናግዒ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56136512"} {"headline":"7ይ መድረኽ ጂሮ ዲ'ኢታልያ፡ ኮን ቦውማን ፈላሚ ናይ መድረኽ ዓወቱ ኣመዝጊቡ","content":"ኣብቲ ብዓርቢ ቀጺሉ ዝወዓለ ሻብዓይ መድረኽ ጂሮ ዲ'ኢታልያ፡ ሆላንዳዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ጃምቦ-ቪስማ ኮን ቦውማን መሳጢ ናይ ዓቐብ ቅጽበታዊ ውድድር ብምርኣይ ናይ ግራንድ ቱር ፈላሚ ናይ መድረኽ ዓወቱ ኣመዝጊቡ። እቲ ወዲ 28 ዓመት ኣብቲ ካብ ድያሞንተ ናብ ፖተንዛ ዝተኻየደ 196 ኪሜ ዝሸፈነ ዓቐበት ዝበዝሖ ውድድር፡ ምስ ሰለስተ ተቐዳደምቲ ብምዃን ካብ ዓባይ ጉጅለ ሃዲሙ እዩ ውዒሉ። ካልኣይ ሆላንዳዊ ባውክ ሞለማ ካልኣይ፡ ኢጣልያዊ ዳቪድ ፎርሞሎ ሳልሳይ ኣትዮም። ብሽክለታ ተበላሽያቶ ዝነበረት ንቦውማን ወዲ ጋንትኡ ቶም ዱሞሊን መበል ራብዓይ ዛዚሙ። ኣብቲ ውድድር ዝሳተፉ ዘለው ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ መርሃዊ ቅዱስ መበል 58፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን መበል 100 ከምኡ'ውን ብሓሙስ ምስ ፍሉጣት ናይ ፍጥነት ተቐዳደምቲ ዓለምና ገጢሙ ራብዓይ ዝዛዘመ ቢንያም ግርማይ መበል 155 ኣትዮም። ኣብ 2017 ተዓዋቲ ጂሮ ዝኾነ ቶም ዱሞሊን ነቲ ተሪር ዓቐበት ኣብ ቅድሚት ኮይኑ ክመርሖ እንከሎ ዳቪድ ፎርሞሎን ኮን ቦውማንን ካብ እግሩ ኣይተፈለዩን። ሰለስቲኦም ስልታዊ ብዝኾነ መገዲ ቦታ እናተቐየየሩ ኣብ ዝቐጸሉሉ፡ ቶም ዱሞሊን ብሽክለታ ስለዘበላሸወ ፍጥነቱ ክቕንስ እኳ እንተተገደደ ብዙሕ ከይጸንሐ ስለዘርከቦም ወዲ ጋንታኡ ኮን ቦውማን ንክዕወት ዓቢ ኣበርክቶ እዩ ጌሩ። ባውክ ሞለማ መዛዘሚ ህንጻጽ ሒደት ኪሜ ምስተረፎ ክሞልቕ ፈቲኑ እንተኾነ ግና ንኮን ቦውማን ክሕዝዎ ኣይከኣሉን። ኣብ ሓፈሻዊ ምድብ (ሮዛ ማልያ) ዝመጸ ለውጢ ስለዘየሎ ስጳኛዊ ዩዋን ፔድሮ ሎፐዝ መሪሕነቱ ቀጺሉ ኣሎ። ተቐዳዳማይ ጋንታ ኢኤፍ ኤዱኬሽን-ኢዚ ፖስት መርሃዊ ቅዱስ ሰለስተ ደረጃታት ብምምሕያሽ መበል 56፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ሽዱሽተ ብምምሕያሽ መበል 95 ክኾኑ እንከለው፡ ቢንያም ግርማይ ከኣ ካብ መበል 93 ናብ 113 ወሪዱ ኣሎ። ኣብ ናይ ነጥቢ (ሊላ ማልያ) 'ውን ዝመጸ ለውጢ ብዘይምህላው ቀዳማይ፣ ኣርኖድ ደማር ካልኣይ፣ ቢንያም ግርማይ ሳልሳይ ማርክ ከቨንዲሽ ኮይኖም ተሰሪዖም ኣለው። 153 ኪሜ ዝሽፍን ሻምናይ መድረኽ ሎሚ ቀዳም ኣብ ኣብ ከተማ ናፖሊ ክካየድ እዩ። ኣብቲ ናይ ሎሚ ውድድር፡ ማቲው ቫን ደር ፖኤል ካብ ጋንታ ኣልፐቺን ፈኒክስ፣ ቶም ፒድኮክ ካብ ኢንኦስ ግረናድየርስ፣ ቢንያም ግርማይ ካብ ኢንተርማርቸ ዋንቲ-ጎበርት፡ ከምኡ'ውን ኣልበርቶ ቤትዮል ካብ ኢኤፍ ኤጁኬሽን-ኢዚ ፖስት ሓያል ውድድር ከርእዩ ትጽቢት ይግበር።","category":"መዘናግዒ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61449265"} {"headline":"ጠፊኡ ዝተባህለ ቱርካዊ ምስቶም ዝደልይዎ ዝነበሩ ጉጅለ ብምዃን ንነብሱ ክደልያ ውዒሉ","content":"ኣብ ቱርኪ ብሃንደበት ድሃዩ ዘጥፈአ ውልቀ ሰብ፡ ብኣጋጣሚ ምስቶም ንዕኡ ንምድላይ ዝተዋፈሩ ጉጅል ብምዃን፡ ንዕኡ ይደልዩ ከም ዘለዉ ከይፈለጠ ምስኦም ኮይኑ ንሰዓታት ከም ዝደለየ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን። እቲ በያን ማቱሉ ዝተባህለ ውልቀሰብ ምስ የዕሩኹቱ ኮይኑ ብሰሉስ ኣብ ዞባ ቡርሳ ኣብ ዝርከብ ጫካ ኮይኖም ይሰትዩ ነይሮም። ብሃንደበት ግን ካብ የዕርኹቱ ብኸመይ ከም ዝተፈላለየ ከይተረደኦ፡ ናብቲ ካብቲ ጫካ ዘውጽእ መንገዲ ክምለስ ኣይክኣለን። ድሃዩ ዝጠፈኦም የዕሩኹቱን ብዓልቲ ቤቱን፡ ናብ ሰብ መዚ እታ ሃገር ከይዶም ስለ ዝሓበሩ፡ ኣብቲ ክርከበሉ ይኽእል እዩ ዝተባህለ ቦታ ዝደልየ ጉጅል ልኢኾም። ወዲ 50 ዓመት በያን ማቱሉ፡ ብሃንደበት ምስቶም ንዕኡ ዝደልዩ ዝነብሩ ገለ ክፋል ናይቲ ጉጅለ ምስ ተራኸበ፡ ምስኦም ተሓዊሱ 'ነቲ ዝጠፈአ' ሰብ ኣብ ምድላይ ከም ዝተዋፈረ መደበር ተሌቪዥን ኤንቲቪ ሓቢራ። ድሕሪ ሰዓታት ሓደ ካብቶም ዝደልዩ ዝነበሩ ሰብ ብዓውታ ስም ናይቲ ዝጠፈአ ሰብ [በያን ማቱሉ] ምስ ጸወዐ ግን ካብ ሞንጎኦም \"ኣብዚ ኣለኹ\" ዝብል ድምጺ ተሰምዐ። እቶም ዝደልዩ ዝነበሩ ጉጅል እዚ ኣብ ሞንጎኦም ዝነበረ ሰብ ካብ መጀመርታ ምስኦም ከም ዘይወፈረ ምስ ኣረጋገጹ፡ ሓደ ካብቶም ኣባላት ፖሊስ ንበያን ማቱሉ ፈልዩ እቲ ኹነታት ከመይ ምዃኑ ከረድኦ ሓቲትዎ። በያን ማቱሉ \"በጃኹም ብሕማቕ ከይትቀጽዑኒ፡ ኣቦይ ነዚ እንተሰሚዑ ክቐትለኒ'ዩ\" ከም ዝበሎም እታ መደበር ተለቪዥን ኣቃሊሓ። ድሕሪ እዚ ክስተት፡ እቶም ኣብ ምድላዩ ዝተዋፈሩ ፖሊስ ዝርከብዎም ጉጅለ፡ ንበያን ሒዞም ናብ ገዝኡ ውሲደምዎ፤ ይቅጽዕዎ ኣይቅጽዕዎ ግን ኣብቲ ጸበጻብ ኣይሰፈረን።","category":"መዘናግዒ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58758220"} {"headline":"ኬቨን ሃርት ብሓደጋ መኪና 'ከቢድ መጉዳእቲ በጺሕዎ'","content":"ውሩይ ኣሜሪካዊ ተዋሳኢን ኮሜድያንን ኬቨን ሃርት፡ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ብዘጋጠሞ ሓደጋ መኪና \"ከቢድ ናይ ሕቖ መጉዳእቲ\" ስለዝበጽሖ ሰንበት ንጉሆ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ። ብሰኑይ በዓልቲ ቤቱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ ኬቨን ሃርት ነቒሑ ከምዘሎ ድሕሪ ምግላጽ \"ደሓን ክኸውን እዩ\" ኢላ። እቲ ሓደጋ፡ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ እዩ ኣጋጢሙ። ነታ መኪና ይዝውር ዝነበረ ጃሬድ ብላክ ዝበሃል ሰብ'ውን ከቢድ መጉዳእቲ ዝበጽሖ ክኸውን ከሎ፡ ኣብቲ እዋን ምስኦም ዝነበረት ካልእ ተሳፋሪት ግን፡ በቲ ሓደጋ ከምዘይተሃሰየት ተገሊጹ። ኬቨን ሃርት፡ ኣብ መድረኽ ብዘቕርቦ ናይ ኮሜዲ ስርሑን ኣብ ፊልምታት ብዝዋሰኦም ዘስሕቑ ገጸባህርያትን እዩ ዝልለ። ኬቨን ሃርት፡ ናይ ሎም ዓመት ጽምብል ኦስካርስ ከሳሲ ተሓርዩ እኳ እንተነበረ፡ ቅድሚ ነዊሕ እዋን፡ ርክብ-ተመሳሳሊ-ጾታ ኣብ ልዕሊ ዘለዎም ሰባት ጽልኢ ዘንጸባርቕ ጽሑፍ ኣብ ትዊተሩ ከምዘስፈረ ምስተፈለጠ፡ ካብ ምስሳይ ኦስካርስ ንርእሱ ኣግሊሉ እዩ። እቲ ወዲ 40 ዓመት ኮሜድያን \"ስምዒት ሰባት ስለዝጎዳእኹ ይቕሬታ\" ኢሉ ነይሩ። ናይ ሎሚ ዘብን ጽምብል ኦስካርስ፡ ብዘይ ኣሳሳዪ እዩ ተኻይዱ።","category":"መዘናግዒ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49561047"} {"headline":"ታሪኽ ጸለምቲ፡ ብጸጉሪ ርእሶም ታሪኽ ዝሰርሑ ሓሙሽተ ስፖርተኛታት ዓለም","content":"ኣብ ስፖርት ዘለው ገለ ሰባት፡ መጀመርታ 'እንተጸቢቕኻ ጽቡቕ ይስምዓካ፤ ጽቡቕ ክስምዐካ እንከሎ ድማ ጽቡቕ ጸወታ ትጻወት' ክብሉ ሰሚዕኹም ትኾኑ'ዶ? ብታሪኽ ድማ፡ ኣትሌቲክስ ንርእስኻ እተርእየሉ መድረኽ ውድድር ኮይኑ'ዩ ከገልግል ጸኒሑ። ኣብ ውሽጢ ጸለምቲ ማሕበረሰብ ከኣ ጸጉሮም ዓብዪ ቦታ ይሕዝ። መንነት'ዩ። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ስፖርት ፓስቲ ጉድዊን፡ \"ብኹለ መዳይ ንባዕለይ ክገልጽ ይደሊ። ሕብሪ ጸጉሪ ርእሰይ ብምልውዋጥ፣ ዝተፈላለየ ቑኖ ብምቑናን ወይ ኣፍሮ ብምግባር መንነተይ ከርኢ ይደሊ\" ትብል። ነፍሲ ወከፍ ቅዲ ጸጉሪ ርእሳ ድማ ናታ ዝተፈላለየ መንነትን እምነትን ከም ዘንጸባርቑ ትገልጽ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ጸጉረይ ኣካል መንነት ገይረዮ'የ ኢላ። \"እቶም ኣብ ስፖርት እንተጸቢቕኻ ጽቡቕ ይስምዓካ፤ ጽቡቕ ክስምዐካ እንከሎ ድማ ጽቡቕ ጸወታ ትጻወት\" ኢሎም ዝኣምኑ ሰባት፡ ጸቡቕ ስምዒት ክህልወካ እንከሎ ናብ ውሽጥኻ ዝኣቱ ጥርጣረታ ውሑድ እዩ ዝኸውን፤ ኩሉ ጽቡቕ እንተኾይኑ ድማ ካባኻ ሓንቲ ነገር ጥራይ ትጽቢት ይግበረካ ይብሉ። እዚ ኽኣ፡ እቲ ውድድር ምስዓር'ዩ። ካብዚ ብምብጋስ፡ ንሎሚ ሓሙሽተ ጸጉሮም ልዕለ ሓያል [Majic] ዝኾኖም ብዙሓት ጸለምቲ ዘለዓዓሉ ሓሙሽተ ስፖርተኛታት ከነላልየኩም ኢና። ኣብ ታሪኽ ኦሎምፒክ ህብብቲ ዝኾነት ሼሊ-ኣን ሸሞንተ ግዜ ሜዳሊያ ኦሎምፒክ ተዓዊታ። ብ2008 ኣብ ቤጂንግ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ብ100 ሜትሮ ንጀማይካ ወርቂ ሜዳሊያ ምስ ኣዐወተት ኾኾብ ዓለም ኮይና። ብውድድር 100 ሜትሮ ኣርባዕተ ግዜ ዓለማዊ ክብረወሰን ዝወነነት ብሕታዊት ጓል ኣንስተይቲ ኮይና ኣብ ታሪኽ ውድድር 100 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ 34 ዓመታ ሳልሰይቲ ዝቐልጠፈት ጎያይት እያ። እዚ ኹሉ ቖልዓ ድሕሪ ምውላዳ ዘዐወተቶ ብምዃኑ ክኣ ዘደንቕ ይገብሮ። ጎና ጎኒ እቲ ዕውትነታ፡ ሼሊ-ኣን ናብ ዝኸደቶ ቦታ ንካሪብያን ሒዛታ እያ ትገይሽ። ብምንታይ እንተኢልኩም፡ ብጸጉሪ ርእሳ ኢና። ንኣብነት፡ ኣብ ዶባ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር፡ \"እቲ ጸጉሪ ከም ብርሃን ጸሓይ'ዩ፤ ጀማይካ ክኣ ዋዒ ኣሎ። ዶሃ'ውን ውዕይቲ'ያ። ስለዚ ንምንታይ እቲ ብርሃን ጸሓየይ ሒዘዮ ዘይመጽእ\" ኢላ ነይራ። ንሼሊ-ኣን ዝፈልጡ ሰባት መጀመርታ ናብ ሕሊንኦም ዝመጽኣሎም ሰለስተ ነገራት እንተሃለው- ፍጥነታ፣ ታሪኽ ሰራሒት ምዃናን ድሙቕ ጸጉሪ ርእሳን እዮም። ካብ ስፖርት ወጻእ ከኣ ናይ ባዕላ እንዳ ጸጉሪ ከፊታ እያ። \"ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ጸጉሪ ርእሳ ድላያ እንተገበረቶ ብዘየገድስ ጽባቕኣ ከጉልሕ ግን ይደሊ\" ትብል። በዚ ኣቢላ፡ ደቂ ኣንስትዮ ንክተባብዓን ጽቡቕ ርእሰ ተኣማንነት ከዕብያን ትብህግ። \"ኩል ግዜ ድሙቕ ሕብሪ ጸጉሪ ርእሲ እየ ዝመርጽ። ሓሓሊፉ ብዛዕባ እታ ዘለኹላ ሃገር'ውን ይሓስብ\" ኢላ። ሼሊ-ኣን፡ ሓደ ግዜ \"ኣብ ባዕልኻ ተስፋ ኣይትቑረጽ፤ ሓፍ ንኽትብል ሰባት ክትንብዩልኻ ኣይትጸበ\" ኢላ ነይራ። ንፈረንሳን ማንችስተር ዩናይትድን ዝስለፍ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ፖል ፖግባ፡ ብዘለዎ ብቕዓት ኣብ ዓለም ኣለው ካብ ዝብሃሉ ተደለይቲ ኣትሌታት ስፖርት ሓደ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ግርማ ሞጎሱ፣ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብዘለዎ ንጥፈትን እወንታዊ ኣተሓሳስብኡን ብዙሓት ይብህጉዎ። ብተደጋጋሚ ዝቐያይሮ ሕብሪ ጸጉሪ ርእሱን ዝጥቀመሞም ቅድታትን ግን ካልእ ሚስጢር ጋንታታት ንፖል ፖግባ ኣነ'ባ ኣነ ክብላ ዝገብረን ሚስጢር'ዩ። ፖግባ፡ ኣቀማቕማ ኾነ ሕብሪ ጸጉሪ ርእሱ ብዝቐያየረ ቑጽሪ፡ ኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግርን ኣድነቕቱን ብዙሕ ግምታት እዮም ዝህቡዎ። 'ሕጂኸ ፖግባ ካብ ዩናይትድ ይወጽእ ኣሎ ማለት ድዩ?' . . . 'እቲ ኣብ ጸጉሪ ርእሱ ዘሎ ዝተሰበረ ልቢ እንታይ ይኾን?' . . . 'ሎሚኸ እንታይ ዓይነት ሚስጢር'ዩ ሓቢኡ?' ብምባል ሸቐልቐል ይብሉ። ንሱ ግን፡ ብቐሊሉ ሓደሽቲ ቅድታት ብምምጻእ ይዛነ'ዩ ዘሎ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ \"ኩል ግዜ ሰባት ኣብ ጸጉረይ ርኢይቶ ስለ ዝህቡ፡ ሰባት እንታይ ከም ዝብሉ ንምዕዛብ እየ እቲ ዝተሰብረ ልቢ ተሰሪሐ። ካልእ ትርጉም የብሉን . . . ሰሓቕ ጥራይ'ዩ\" ይብል። ኣብ ህይወቱ ዓብዪ ቦታ ዝህቦ ነገር እምነት ስለ ዝኾነ ውቃጦ ክገብር ኣይመረጸን። ግን ድማ ብስነ ጥበብ ዓርሱ ክገልጽ ወይ ከንጸባርቕ ይደሊ'ዩ። ፖግባ፡ ኣብ ጸጉሪ ዘይተጠቕሞ ዓይነት ሕብሪ ኮነ ቅዲ የለን። ብሓፈሻ፡ ፖል ፖግባ ሰባት ድላዮም እንተበሉ ሓድሽ ነገር ንምፍታን ሰጋእ ዘይብል ኣትሌት እዩ። ዴኒስ ሮድማን፡ ኾኾብ ሃገራዊ ማሕበር ኩዕሶ ሰኪዔት'ዩ። ኣባላት ፕሮፌሽናል ጋንታ ኩዕሶ ሰኪዔት ኣመሪካ 'Chicago Bulls' ክሳብ ሕጂ ሽሞም ብልዑል ክብሪ ይርቋሕ። ሚካኤል ጆርዳን፣ ስኮቲ ፒፔንን ከምኡ'ውን እቲ ናይ ሙሉእ ዘመን ኮኾብ ሮድማን ካብ ኣፍ ኣፍቀርቲ ኩዕሶ ሰኪዔት ኣይጠፍኡን። ሮድማን፡ ፍሉይ ክእለት ምክልኻልን ኩዕሶ ካብ ኢድ መጋጥምቱ መንዚዑ ናይ ምውሳድ ዓቕምን ዝነበሮ ስለ ዝኾነ ንኣባላት ጋንትኡ ኮነ መጋጥምቱ ውንጥሕ ይብሎም ነይሩ። ካብዚ ብዝብገስ ብዙሓት ብግጉይ ስለ ዝርድኡዎ ግዳማዊ ጠባዩ ንምርዳእ ይጽገሙ ነይሮም። \"መጀመርታ ናብታ ጋንታና ክጽንበር እንከሎ ሕጉስ ኣይነበርኩን፤ ድሓር ግን ዴኒስ ሒዙዎ ዝመጽአ ፍሉይ ነገር ከም ዘሎ ተረዲአ\" ይብል ስኮፒ ፒፔን። ካብ 1990ታት ጀሚሩ፡ ዴኒስ ሮድማን ጸጉሪ ርእሱ ብምቅይያር እዩ ዝፍለጥ። ብዛዕባ ጸጉሩ፣ ዝጥቀሞም መመላኽዒታትን ኣከዳድንኡን ድማ ብግልጺ ይዛረብ። \"በዚ ስለ ዝፍለጥ'የ ከምኡ ዝገብር። ስምዒተይ ክኣ በቲ ንዓይ ዝማእመአኒ መገዲ ክገልጽ ከም ዘለኒ ይኣምን\" ይብል። ካብዚ፡ 'ኩላትና ፍሉያት ስለ ዝኾንና፡ ኣፈላላይና ድማ ክንቕበል ይግባእ' ዝብል ንወስድ። \"ጸጉረይ ንኻልኦት ሰባት ምንጪ ሓጎስ ስለ ዝኾኖም የሐጉሰኒ\" ትበል። ሻና ብራውን፡ ኣብ መበል 25 ዓመታ ራግቢ ምጽዋት ክትጅምር እንከላ ድሕሪ ክልተ ዓመት ንኢንግሊዝ ወኪለ ኣብ ዓለምለኻዊ ውድድር ተሳቲፋ። ሕጂ ኣብታ ሃገርን ጋንትኣ ሃርሊኲንስን መሪሕ ኣትሌት እያ። ብተወሳኺ ንደቂ ኣንስትዮ ተጻወትቲ ራግቢ፣ መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ታሪኽ ጸለምትን ወኪላ ኣብ ምዝራብን ምቅላስን ኣብ ቅድሚት ትስራዕ። ጸጉሪ ርእሳ ኣፍሮ እዩ። ቖልዓ ኮይና ኣይትፈትዎን ነይራ። \"መመሸጢ ዘይሓልፎ፣ ዝተዓዃኾለ ስለ ዝነበረ መጀመርታ ኣይፈትዎን ነይረ፤ ድሓር ግን ሰባት ጸጉርኺ ጽቡቕ እዩ ይብሉኒ ስለ ዝነበሩ ጸጉረይ ናብ ዝፈትወሉ ደረጃ በጺሐ\" ትብል። ወሲኻ፡ \"ሰባት ህንጡዋት ኮይኖም ጸጉረይ ክተናኽፉዎ ይዕዘብ፤ ኣነ ኽኣ ክቐርቡዎምን ከውግዑዎምን ካብ ሞንጎ ዝደልዩ ሓንቲ ክኸውን ከም ዝኽእል ተገንዚበ\" ኢላ። ቬነስ፡ ተጻዋቲት ቴንስ እያ። ገሊኦም ንሓፍታ እዮም ዝፈልጡ። ቬነስ ዊልያምስ ዓባይ ሓፍቲ ሰሬና ዊልያምስ እያ። ልዕሊኡ ግን፡ ቬነስ ሸውዓተ ግዜ ዓበይቲ ሻምፒዮ ጸወታ ቴንስ [ኣውስትራሊያ፣ ፈረንሳ፣ ብሪጣኒያን ኣመሪካ] ክትዕወት እንከላ፡ ኣርባዕተ ግዜ ወርቂ ሜዳሊያ ኦሎምፒክ ወሲዳ እያ። ብተወሳኺ፡ ብፋሽንን ቢዝነስ ኣድሚኒስትሬሽንን ዲግሪ ኣለዋ። ኣዝያ እትገርም ኣትሌት ኮይና እናሃለወት ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ምሕጋዝን ሰባት ምምሃርን ትፈቱ። ኣብ 1999፡ ኣውስትራሊያ ኣብ ዘአንገደቶ ቶርናመንት ቴንስ ቬነስ ኣብ ጸጉራ ዕንቁታት ኣሲራ እያ ትጻወት ነይራ። ኣብ መወዳእታ እቲ ጸወታ እቶም ዕንቁታት ብምውዳቖም፡ ዳኛ ጸወታ ረቢሻ ብዝብል ሓደ ነጥቢ ቐጺዑዋ። ንሳ ግን፡ ሽዑ እዚ ከመይ ኢሉ ምኽንያት ይኸውን ኢላ ሓቲታ እያ። ድሕሪኡ \"ጸጉረይ ስለ ዝፈትዎ፡ ኣይቕይሮን\" ኢላ።","category":"መዘናግዒ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59146011"} {"headline":"‘ዘ ሮክ’ ንሱን ስድርኡን ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ገሊጹ","content":"ድዋይነ ጆንሶን [ዘ ሮክ] ንሱን ስድርኡን ብኮቪድ 19 ከምዝተለኸፉ ገሊጹ። ኣብ ነጻ ቅልስ ዝወዳደር ዝነበረን ኣብ 2020 ካብ ምውሳእ ብዝረኸቦ ኣታዊታት ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ 'ዘ ሮክ' ምስ ብዓልቲ ቤቱን ክልተ ደቁን ዋላ እኳ እኹል ጥንቃቐ ይገብሩ እንተነበሩ ብኮቪድ 19 ክልከፉ ከምዝኸኣሉ ገሊጹ። ንሱን ስድርኡን ኣብ ድሓን ኩነታት ከምዘለዉ ዝገለጸ እዚ ወዲ 48 ዓመት ተዋሳኣይ፡ ደቁ ዕድመአን 4 ዓመት ከምኡ ድማ 2 ዓመት ክኾና እንከለዋ፡ ብዓልቲ ቤቱ ላውራ ጓል 35 ዓመት እያ። ዘ ሮክ ብቪድዮ ኣብ ናይ ውልቁ ኢንስታግራም ኣብ ዘመሓላላፎ መልእኽቲ “ኮቪድ 19 ኣለካ ምስ ተበሃልካ ዝስምዓካ ስምዒት እግርኻ ተሰይሩ ኣሎ ምስ ተብሃልካ ዝስምዓካ ስምዒት ኣዝዩ ዝተፈለየ እዩ” ኢሉ። ወሲኹ ድማ “ቀዳማይ ዕማመይ ንስድራይ ምክልኻል እዩ” ብምባል ካብ ኮቪድ 19 ክከላኸለሎም ከምዘይክኣለ ይገልጽ። ዘ ሮክ “እቲ ንሰብን ንዓይን ግር ዘብለና ነገር ገለ ሰባት ብፍላይ ድማ ፖለቲከኛታት ነቲ ሰብ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫ ይግበርዶ ኣይግበር ዝብል ነገር ኣካል ፖለቲካዊ ኣጀንደኦም ገይሮሞ ክትርኢ ዘሕዝን እዩ፡ እዚ ምስ ፖሎቲካ ዘተሓሕዝ የብሉን፡ ማስክ ንግበር፡ ሓቂ እዩ ሸለል ኣይንበል፡ ማስክ ምግባር ድማ እቲ ቅኑዕ ነገር’ዩ”ኢሉ። ድዋይነ ጆንሰን ነቲ ኣብ ግጥም ነጻ ቅልስ ዝወዳደር ዝነበረ ኣቡኡ (ሮኪ) ብምስዓብ እዩ ፕሮፈሽናል ተወዳዳሪ ነጻ ቅልስ ክኸውን ክኢሉ። ቅድሚ ናብ ምውሳእ ምእታዉ ድማ ኣብ ውድድር ነጻ ቅልስ ዓቢ ዓወታትን ተፈላጥነትን ከጥሪ ክኢሉ እዩ። እዚ ኣብ ብሎክባስተር፤ ስኮርፕዮም ኪንግ፤ ፋስት ኤንዱ ፊርዩስ 6 ከምኡ’ውን ጁማንጂ ፍራንቻይዝ ዝኣመሰላ ፊልምታት ዝተዋሰአ ድዋይነ ጆንሰን ካብ ሰነ 2019 ክሳብ ሰነ 2020 ኣብ ዝነበረ ሓደ ዓመት ካብ ዝተዋሰኦ ፊልምታት 87.5 ሚልዮን ዶላር ጽሩይ ኣታዊ ከምዝረኸበ መጽሄት ፎርብስ ኣብ ዘውጽኦ ዓመታዊ ጸብጻብ ገሊጹ ነይሩ።","category":"መዘናግዒ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54008778"} {"headline":"ብሪጣንያ፡ 'ጥሮታ ኣብ ዝወጻእኵሉ ዝምነዮ ስራሕ ረኺበ፣ ሰባት ምምርዓው'","content":"ጓል 58 ዓመት ኣማንዳ ዊል፡ ን30 ዓመታት መምህር እያ ነይራ፣ ቅድሚ ክልተ ዓመት ከኣ ጥሮታ ወጺኣ። ዝተረፈ ዕድመይ እንታይ እናገበርኩ ከሕለፎ እየ፡ ኣብ እትብለሉ ዝነበረት እዋን፡ ሓዋ ሓደ ዘተባብዕ ነገር ኣማኺርዋ። ሓድሽ ህይወት፡ ሓድሽ ስራሕ ድማ ተጀሚሩ፤ ኣማንዳ ተዘንቱ። ምምህርና ኣዝየ ዝፈትዎ ስራሕ'ዩ፤ ምስ ቈልዑ ምስራሕን ህይወት ምቕያርን'ዩ። ናብ ጥሮታ ገጸይ ክበጽሕ እንከለኹ ግን ቅሩብ ሓሪቐ ነይረ። ቢሮክራሲ እናጸላእኩ ስለ ዝዓበኹ፡ እቲ ናይ ምህዞ ክእለተይ ንርእሱ ጠፊኡ'ዩ ዝብል ስምዒት'ዩ ነይሩኒ። ሓሓሊፉ፡ ብመስኮት እቲ ዝምህረሉ ክፍሊ ንደገ የመዓዱ'ሞ፡ መካይን ክሓልፋ ርእየ፡ 'ሰባት ግን እንታይ'ዮም ዝገብሩ ዘለው?' ኢለ እግረም። በዚ ምኽንያት፡ 'ኣብ ዓለም ብዙሕ ነገራት ኣሎ፤ ኣነ ግን ኣብዚ ስራሕ'የ ንነዊሕ ዓመታት ጸኒሐ' እናበልኩ እሓስብ። እዚ፡ ኣብ ዕድመ 70ታት ንዝርከብ ሓወይ ነጊረዮ፤ ንሱ ኸኣ \"ኣማንዳ፡ ብዙሓት ሰባት ዘይብሎም ክእለት ኣለኪ፣ ትኽእልዮ ኢኺ፡\" ይብለኒ። ሞት ሓወይ፡ ኣብ ህይወተይ ለውጢ ክገብር ጸልዩኒ'ዩ። እዚ፡ ንዓይ ናይ መጀመርታ መሪር ሓዘነይ እዩ። ድሕሪ ሞት ሓወይ፡ እንተጸናንዓኒ ብዝብል ንመንበሪ ገዛኡ የጽሪ፣ ንነብሰይ ብዝተፈላለዩ ነገራት ጸሚደ ይውዕል ስለ ዝነበርኩ፡ ሰባት ክኢላቶ 'ላ ኢሎም ይሓስቡ ነይሮም። ግን ኣይኰነን። ኣቦይ፡ ሓደ ቀዳሳይ [Celebrant] ዝተረኸበሉ ስነ ስርዓት ቀብሪ ክንገብር ኣለና ይብል፤ ከምዚ ክብሃል ሰሚዐ ኣይፈልጥን። ኣብ ቀብሪ ሓወይ ዝንበብ ጽሑፍ [ውዳሰ] እናዳለኹ እንከለኹ፡ ነቲ ቀዳሳይ [ነቲ ስነስርዓት ዝመርሕ ሰብ] ተላልየዮ። ኣዝዩ ሓጋዝን ናይ ግብሪ ሰብን ከኣ ነይሩ። እቲ ስነ ስርዓት ኣዝዩ ግሩም ኮይኑ ሓሊፉ። ሃንደበት፡ ኣነ ባዕለይ ንኻልኦት ሰባት ከምኡ ዘይገብረሎም ኢለ ሓሲበ። እዚ፡ ንዓይ ዳርጋ ውርሻ ሓወይ'ዩ። ኣብ ቀረባ ዝተሳተፍኩሉ መርዓ፡ ኣብ ሃርለው ዝነበረ'ዩ። እቶም መጻምዲ ጕዕዞ ባሕሪ ዝፈትው ስለ ዝነበሩ ኣከዳድና ሸፋቱ ባሕሪ ዝነበሮ መርዓ ነይሩ። ብዙሓት ሰባት ኣመራዕየ፣ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣፈጺመን፡ ምሕዳስ ቃል ኪዳን ኣሳሊጠን'የ። ዝበዝሕ ስርሐይ ግን ሰባት ምምርዓው'ዩ። መብዛሕትኦም ኣነ ዘፈጽሞም መርዓታት፡ ባህላዊ'ዮም። ግን ከኣ ሰባት እቲ ዝደለይዎ ዓይነት መርዓ ክፍጸመሎም እሕግዞም። ነቶም መጻምዲ ቅድሚ መዓልቲ መርዓ ንሰሙናት ወይ ኣዋርሕ ኣቐዲመ'የ ዝረኽቦም። ኣብ መዓልቲ መርዓኦም ከኣ፡ ቃለ መሓላ የፈጽሞም። ሃይማኖታዊ ዘይኮነ ስነ ስርዓት መርዓ ዝመርጹ፣ ቃልኪዳኖም ዘሐድሱ ወይ'ውን ዝተፈላለየ ሃይማኖት ዘለዎም ሰባት ክምርዓው እንከለው፡ ነዚ ስነ ስርዓት ዘፈጽመሎም ሰብ [Celebrant] ይሓርዩ። ናተይ ስራሕ'ውን ንሱ'ዩ። ሓደ ዘይነደህበሉ ነገር እንተሃሎ፡ ነፍሰወከፍና ካልኦት ዘይግንዘቡዎ ክእለት ከም ዘለና እዩ። ኣነ፡ መምህር'የ ነይረ፤ ሰሙናዊ ኣብ ቅድሚ 300 ተምሃሮ ደው ኢለ ይውዕል ነይረ። ሰባትን ፕሮጀክታትን ናይ ምምሕዳርን ናይ ምስማዕን ክእለት'ውን ኣለኒ። ክትምህር እንከለኻ ግን፡ ኵሉ ግዜኻ፣ ዕረፍትኻ ወይ ንዝዀነ ነገር ዝወሃበካ ሓጺር ግዜ ካልኦት ሰባት'ዮም ዘመሓድርዎ። ሕጂ ግን ርእሰይ ክኢለ፡ ብዙሕ እንተዘይኮነ'ውን ገንዘብ ይረክብ ኣለኹ። ክሳብ ሕጂ ኣብ 15 ስነስርዓት መርዓ ተረኺበ ኣለኹ፤ ካልኦት 15'ውን ኣሎውኒ። ኣነ፡ ዕድመ ብዙሕ ዘጨንቐኒ ሰብ ኣይኮንኩን። ኣብ ግዜ ጥሮታኻ ናይ ባዕልኻ ስራሕ ምጅማር ንገሊኡ ቅሩብ ደንገርገር ዘብል ክኸውን ይኽእል። ኣነ ግን ስርሐይ ይፈትዎ እየ። ጽቡቕ ህይወት ከኣ ይነብር ኣለኹ።","category":"መዘናግዒ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61547537"} {"headline":"ዳዊት ዘርእዝጊ፡ ስነጥበባዊ ዓቕሙ ብስነፍልጠት ንምድራዕ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘምርሐ ኤርትራዊ","content":"ኣብ ውዑይ እዋን ንእስነቱ፡ ኮተቴ እንከሎ'ዩ ምስ ሙዚቃን መሳርሒ ሙዚቃን ተላልዩ። \"ወዲ 14 ዓመት እንከለኹ፡ ስምዒት ሙዚቃ ሓዲሩኒ፡ ክራር ክሕዝ ጀሚረ\" ብምባል ናብ ስነጥበብ ዓለም ብኸመይ ከምዝኣተወ የዘንቱ። ብድሕሪኡ'ውን፡ ነቲ ዘይተርፍ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምፍጻም ናብታ ብዙሓት መንእሰያት ኤርትራ ዝሓለፉላ ወተሃደራዊ ማእከል ስልጠና ሳዋ ኣምሪሑ። ዳዊት ዘርእዝጊ፡ ወተሃደራዊ ታዕሊም ምስወድአ፡ ናብ ሰራዊት ተመዲቡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ተንቀሳቒሱ። \"ናብ ሰራዊት ምስ ተጸንበርኩ፡ እቲ ሰራዊት ብብዝሒ ክራር ስለዝሕዝ፡ ኣነ ካብቶም ክራር ዝሕዙ'የ ነይረ\" ብምባል፡ ውትህድርና ንዝነበሮ ናይ ሙዚቃ ጥሙሕ ከምዘይዓገቶ ይዛረብ። ስደትን ስነጥበብን ብዙሓት ስነጥበባውያን፡ ካብ ሃገሮም ወጺኦም ናብ ስደት ምስ ኣምርሑ፡ ስነጥበባዊ ሃለዋቶም እናሃሰሰ ክመጽእ ይርአ። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ፋሕ ምባሎም'ውን ነቲ ጸቢብ ዕድል ክሳብ ናብ ጠቕሊሉ ናይ ምዕጻው ዕጫ ከብጽሖ ከምዝኽእል ኣብ ገለ ስነጥበባውያን ዝተራእየ ተሞክሮ'ዩ። ዳዊት'ውን ከም ብዙሓት ጀመርትን ገዳይምን ኤርትራውያን ሙዚቀኛታት፡ ክሳብ 2005 ኣብ ሰራዊት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ከምቶም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያት ናብ ስደት ከምርሕ ተገዲዱ። ኣብ ብሪጣንያ ዑቕባ ድሕሪ ምሕታቱ፡ ኣብታ ብዙሓት ኤርትራውን ስደተኛታት ካብ ዘአንገዳ ከተማታት ብሪጣንያ ዝኾነት ሊድስ ናብራ ስደት ክመርሕ ዝጀመረ ዳዊት'ውን፡ ነቲ ንስነጥበባዊ ሕልምታቱ ክዕንቅጽ ዝኽእል ብድሆታት ስደት ንምስጋር ከሰላስል ጀሚሩ። ይዅን እምበር ተኽእሎታትን ኣማራጺታትን ከምዘሎ'ዩ ከስተውዕል ክኢሉ። \"ሙዚቃ ኣድማሳዊ ቋንቋ'ዩ\" ኢሉ ዝኣምን ዳዊት ዘርእዝጊ፡ ምስ ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ፡ ጸዓዱ ይዅኑ ጸለምቲ ሙዚቀኛታት ተሓባቢርካ ክስራሕ ከምዝኽእል ብምእማን፡ ዳህሳስን ርክባት ጀሚሩ። \"እታ ቀዳመይቲ መፍትሕ ዝደለኽዋ ኣነ ኣብዚ ስደት፡ ከመይ ጌርካ ምስ'ቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ሙዚቀኛታትን ስቱድዮታትን ትሰርሕ'ዩ. . .እታ ሓንቲ ናይ ቋንቋ ሕቶ'ያ። ብግቡእ ምስኦም ክትረዳዳእ ክትክእል ኣለካ፡\" ይብል። \"ካልኣይ እንተኽኢልካ ሙዚቃ ይጸሓፍ'ዩ። እቲ ሜሎዲ ጽሒፍካ ትህቦም፡ ንሶም ከኣ ዘንብቡ እንተኾይኖም\" ነቲ ብድሆ ከምዘቕልሎ ይገልጽ። \"ልዕሊ ዅሉ ግን ምስኦም ክሰርሕ እኽእል'የ ኢልካ ንሓጐልካ ከተእምኖ ኣለካ\" ዝብል ዳዊት፡ ወጻእተኛታት ጓይላ ንምስራሕ ከጸግሞም ዝኽእል'ኳ እንተኾነ ኣብ \"ዘመናዊ ሙዚቃ\" ግን ብዙሕ ፍልልይ የብሉን ብሃላይ እዩ። \"ዝዀነ ኤርትራዊ ሙዚቀኛ፡ ኣብ ዘለዎ ሃልዩ ምስ ዝኾነ ሰብ ሙዚቃ ክሰርሕ ይኽእል'ዩ\" ዝብል እምነት ዘለዎ ዳዊት፡ ዋላ'ኳ ብውሱን ደረጃ ይዅን እምበር ብግብሪ ሰሪሑሉ'ዩ። ዳዊት ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ሙዚቃዊ ምርኢታት ከምዘቕረበን ሓያሎ ደርፍታት ከምዘፍረየን ይዛረብ። ብወግዒ ዘይተዘርግሓ ግን ዳርጋ ውዱኣት ደርፍታት ንኣፍቀርቲ ሙዚቃ ጆባእ ክብል ትጽቢት ከምዘለዎ'ውን ይዛረብ። ገለ ካብ ደርፍታቱ ኣብታ \"ሕልና ቻነል\" ('Hlna channel) ዝብል መጸውዒ ዘለዋ ቻነል ዩትዩብ ከምዘሎ ይገልጽ፣ ሓንቲ ካብተን ዝፈትወን ደርፍታቱ ኣብ ቀዳመይቲ ኣልበሙ ዝወጸት፡ \"ምጽማም\" እትብል ምዃና ኸኣ ይጠቅስ። ህዝቢ ከምዝከታተሎ ምፍላጡ ዓቢ ፍናን ከምዝህቦ ብምግላጽ፡ ንደገፍቱ ዘለዎ ኣኽብሮትን ምስጋናን ዓቢ ምዃኑ'ዩ ዝዛረብ። ገለ ካብ ህቡባት ደርፍታቱ፣ ኣብነታዊት፡ ኣይሰንፍን፡ ዕርቂ'ዩ ግርም፡ ኣሚነላ፡ ህያው ኢኻ፡ ተስፋ ኣሎኒን ፍዮሪ ባሕሪን ዝብላ ይርከባአን። \"እዛ ዓመት'ዚኣ\" እትብል ናይ ሓድሽ ዓመት'ውን ካብተን እዋናውያን ደርፍታቱ'ያ። መዚቃ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብኽራር ዝጀመረ ጕዕዞ ስነጥበብ ናይቲ ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ ትርከብ ብርኪቶ ኣብ ዝተባህለት ዓዲ ዝተወለደን፡ ንትምህርቲ ናብ ባጽዕ ዝኸደን ዳዊት ዘርእዝጊ፡ ናብ ካልኦት መሳርሒ ሙዚቃታት ምጽዋትን ደርፍን ኣምሪሑ። ኣብ ገዛኡ፡ ዝለማመደላን ሙዚቃታቱ ዘወሃህደላን ንእሽቶ ስትድዮ ብምግባር፡ ንዘለዎ ዓቕሚ ንምምዕባል ከይሰልከየ ይሰርሕ ኣሎ። ብዓቢኡ ግን ንሙዚቃዊ ዓቕምታቱ ንምብራኽ፡ ናብ ዩኒቨርሰቲ ብምእታው ስሩዕ ትምህርቲ ሙዚቃ፡ ብፍላይ ድማ ምውህሃድ (ኮምፖዚሽን) ከጽንዕ ተበጊሱ። \"ኣነ ከም ደራፋይ ነቲ ሞያ ብግቡእ ክፈልጦ ስለዘለኒ፡ በቲ ሓደ ኣወሃሃዲ ኮይነ ክሰርሕ እኽእል'የ፡ ከም ደራፋይ'ውን ብቐጥታ ምስኡ ስለዝራኸብ'የ ነቲ ሞያ ክወስዶ መሪጸ\" ክብል ስለምንታይ ናብ ዩኒቨርሲቲ ክኣቱ ከምዝወሰነ ይገልጽ። እቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዝቐስሞ ዘሎ ፍልጠት፡ እንተወሓደ ናይ ባዕሉ ስራሕ ኣብ ምፍራይ ሓጋዚ ክኸውን ከምዝኽእል'ዩ ዝኣምን። \"ንኣወሃሃዲ ጸቡቕ፡ ነቲ ሙዚቃ ጽቡቕ፡ ንዓይ ከኣ ከም ደራፋይ ጸቡቕ ስለዝዀነ'የ፡ ነቲ [ትምህርቲ] መሪጸዮ።\" ውልቃዊ ገምጋሙ ኣብ ምዕበለ ሙዚቃ ቋንቋ ትግርኛ ሙዚቃ ኤርትራ ብሓፈሻ ጽቡቕ'ኳ እንተሎ፡ \"ርቀት\" ከምዝጐድሎ'ዩ ዳዊት ትዕዝብትታቱ ዘካፍል። ብርእይቶኡ፡ እቲ ብቋንቋ ትግርኛ ዝስራሕ ሙዚቃ ብግጥምን ዜማን ክምዘን እንከሎ ደሓን ኣሎ ዋላ እንተ ተባህለ፡ \"ኣብ ምውህሃድን ርቀትን ሙዚቃን ግን ይጐድለና'ዩ፡ ኣይተመዓራረናን ኣለና\" ይብል። ሙዚቃ ኤርትራ ክንዮኖ ባህላዊ ዶባቱ ሰጊሩ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ዘቃልሕ ንምግባሩ ጻዕርታት ከምዘድሊ ድማ ይመክር። \"ሙዚቃና፡ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብመጠኑ ይስማዕ'ዩ፣ ርእየ ኣለኹ። ካብኡ ሓሊፉ'ውን ክስማዕ ክኽእል ኣለዎ።\" \"መዚቃ ኣድማሳዊ ቋንቋ'ዩ፡ ሙዚቃ ዶብ የብሉን\" ዝብል ዳዊት፡ ኣገዳስነት ሙዚቃ ኣብ ሕብረተሰብን ሃገርን ቀሊል ተራ ስለዘይብሉ፡ ኵሉ ስነጥበባዊ ኣብ ምምዕባሉን ምስፍሑን ክነጥፍ ይምሕጸን። ብዛዕባ ኣብ መንጐ ባህላውን ዘመናውን ሙዚቃ ዘሎ ፍልልይን ብልጫታትን ክዛረብ እንከሎ ድማ፡ \"ኵሉ ነናቱ ጽባቐ ኣለዎ። ክልቲኡ ኸኣ ተመዓራርዩ'ዩ ክምዕብል ዘለዎ። በቲ ምስ ዓለምካ እናተራኸብካ ክትከይድ ኣለካ፣ በቲ ሓደ ኸኣ ነቲ ናትካ ክብርታት እናማዕረግካዮን እናዕበኻዮን ክትከይድ ኣለካ፡\" ይብል።","category":"መዘናግዒ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61329581"} {"headline":"ተስፋ ዝተገብረሎም ሓሙሽተ ኣፍሪቃውያን ሙዚቀኛታት","content":"ዴቪዶ፣ ዊዝኪድ፣ በርና ቦይ ካብ ኣፍሪቃ ዝተረኸቡ ሙዚቀኛታት ኮይኖም፤ ዶብ፣ ቋንቋን ባህልን ከይዓገቶም ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ውሩያት ክኾኑ ዝኸኣሉ እዮም። ነዚ ድማ እዮም ምዕራባውያን ሙዚቀኛታትን ኣፍረይቲ ሙዚቃን (ፕሮዲውሰራትን) ናብ ኣፍሪቃ ገጾም ዘቋምቱ ዘለዉ። ውርይቲ ሙዚቀኛ ቢዮንሴ 'ላየን ኪንግ' ዘርእስቱ ካርቱን ፊልም መበገሲ ገይራ፡ ኣብ 2019 ኣልበማ ክተዳልው ከላ ንኣፍሪቃውያን ሙዚቀኛታት ኣሳቲፋ እያ። ሚስተር ኢዚን በርናን ድማ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዓብዪ ጽምብል ሙዚቃ ኮቼላ ክሳተፉ ክኢሎም እዮም። ኣብዚ ክውዳእ ቀሪቡ ዘሎ ዓመተ 2019፡ ቀልቢ ሰማዕቲ ሙዚቃ ዓለም ዝሰሓቡ ሓሙሽተ ኣፍሪቃውያን ሙዚቀኛታት ክነላልየኩም። ሺባህ ካሩንጊ (ኡጋንዳ) ኣብ ሃገራ ኡጋንዳ ጽቡቕ ተቐባልነት ዝረኸበት ሺባህ፡ ሙዚቃኣ ዶባት ሰጊሩ ክስማዕ ጀሚሩ'ሎ። ንሙዚቃታታ ምስ ዳንስን ፋሽንን ብምትእስሳር፡ ንርእሳን ንሃገራን ክተፋልጥ ክኢላ ኣላ። ኣብ መድረኽ ብዘለዋ ሜላ ኣቀራርባ እውን ንእድቲ እያ። ናይጀሪያዊ ሙዚቀኛ ጆቦይ 'ቤቢ' ብዝብል ናይ ፍቕሪ ሙዚቃኡ እዩ ውሩይ ክኾን ክኢሉ። እዚ ሙዚቃ፡ ኣብ ዩቱብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሚልዮን ግዜ ክረኣየሉ ክኢሉ እዩ። ዝተፈላለዩ ቅድታት ሙዚቃ ከዋድድ ዝኸኣለ ስነጥበባዊ እውን እዩ። ኣፍሮ ቢትን ፖፕን ዝበሃሉ ቅድታት ኣጣሚሩ ዝሰርሖ 'ቢጊኒንግ' ዝብል ሙዚቃኡ እውን ጽቡቕ ተቐባልነት ረኺቡ እዩ። ጆቦይ፡ ሕዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት እናተዓደመ ሙዚቅኡ ከቕርብ በቒዑ ኣሎ። እዚ ኬንያዊ ሙዚቀኛ፣ ገጣሚን ናይ ሙዚቃ ደራሲን፤ ኣምባሳደር ቅዲ ሙዚቃ ፖፕ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እናተብሃለ እዩ ዝጽዋዕ። ኬንያ፡ ኣብ ዕዳጋ ሙዚቃ ዓለም ክኣቱ ዝኸኣለ ሙዚቀኛ የብላን። ብሪያን ነዚ ክቕይር ይኽእል እዩ ዝብል ተስፋ ተነቢሩሉ ኣሎ። ፍልይ ዝበለ፡ ስልቲ ኣደራርፋ ከምዘለዎ ዝንገረሉ ብሪያን፡ ካብቶም ልስልስ ዝበሉ ሙዚቃታቱ ብተወሳኺ፡ ራፕ እውን ይገብር እዩ። ኢኖስ ቢ (ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ) ወዲ 22 ዓመት ሙዚቀኛ ኢኖስ፡ ንባህላዊ ቅድታት ሙዚቃ ኮንጎ እዩ መበገሲኡ ገይሩ ዝደርፍ። ንኻልኦት ቅድታት ሙዚቃ ኣጣሚሩ ድማ፡ ንቕድሚት ሓደ ስጉምቲ ክኸይድ እዩ ዝብል ተስፋ ተገይሩሉ ኣሎ። ምስ ታንዛንያዊ ሙዚቀኛ ዳይመንድ ኮይኑ ዝሰርሖ 'ዮፔ' ዝብል ንጽል ደርፊ፡ ብዙሓት ፈትዮምዎ እዮም። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ድማ፡ 14 ሚልዮን ግዜ ክረኣየሎም ክኢሉ እዩ። ኢኖስ ቢ፡ መለለዪ ዴሞክራሲኣዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝኾነ 'ሩምባ' ዝበሃል ቅዲ ሙዚቃ፡ ምስ ሪትም ኤንድ ብሉዝ ከምኡ ድማ ምስ አፍሮ ቢትስ ከጣምር ክኢሉ እዩ። ደቡብ አፍሪቃዊት ሙዚቀኛ ሂፕ ሆፕ ሾ ማድጆዚ፡ ኣብዚ ዓመት 'ሓዳሽ ብልጽቲ ዓለምለኻዊት ሙዚቀኛ' ብዝብል ናይ ቢኢቲ (ብላክ ኢንተርቴይንመንት) ሽልማት ረኺባ እያ። ናይ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ግኮም ዝበሃል ቅዲ ሙዚቃ፡ ብመሳርሒ ሙዚቃ ጥራይ ዝወሃሃድ እዩ። ንሳ ግን ራፕ ትገብረሉ። እኳደኣስ፤ ብብዙሓት ቋንቋታት። ብዙሓት ሙዚቀኛታት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ናይ ውሽጢ ዓዲ ዕዳጋ እዮም ዘቋምቱ። ሾ ግን ዕዳጋ ኣለም እኣ ተቐወምት ዘላ።","category":"መዘናግዒ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50705027"} {"headline":"ብሓደ ግዜ ሽዱሽተ ሎተሪ ዝተዓወተ ኣመሪካዊ ጥሮተኛ","content":"ኣብዚ ቆራሪ ወርሒ ታሕሳስ ሓደ ናይ ቬትናም ሓርበኛ ናብ ሓንቲ ኣብ ማሳቹሰትስ መስተ እትሸይጥ ዱኳን ኣትዩ። ከምቲ ንልዕሊ 20 ዓመት ዝገብሮ ዝነበረ፡ ሽዑ እውን ሎተሪ ኣቑረጸ። አእምሩኡ፡ ሓደ ቲኬት ጥራይ ኣይትዓድግ። ሽዱሽተ ቲኬት ዓድግ። ግን ከኣ ዝኾነ ቁጽሪ ጥራይ ኣይትጠቐም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ትኬት ሓደ ዓይነት ቁጽሪ ተጠቐም ክብል ኣዚዙዎ። ዕድል ገይሩ ከኣ ራይሞንድ ሮበርትስ ኣብ ሽዱሽቲኡ ትኬት ተዓዊቱ። ኣስታት ክልተ ሚልዮን ዶላር ዝጽጋዕ መጠን ገንዘብ ረኺቡ። ዓመታዊ ከኣ 25 ሺሕ ዶላር ኣመሪካ ይኽፈል ኣሎ። እቲ ሚስተር ሮበርትስ ዝመረጾ ናይ ዓወት ቝጽርታት፡ ዕለተ ልደትን ዕለተ ዝኽርን ዝሓቘፈ እዩ ነይሩ። ነቲ ተመሳሳሊ ቁጽርታት ኣብ ካልእ መዓልታት ኣብ ካልእ ናይ ሎተሪ ቲኬት ይጥቀመሎም እኳ እንተነበረ ቅድሚኡ ግን ኣይቀንዖን። እቲ ካብ ቦስተን ንሸነኽ ደቡብ ኣስታት 50 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዝርከብ ናይ ቬትናም ሓርበኛ ብ15 ታሕሳስ ነቲ ውጽኢት ዓወቱ ተቐቢሉዎ። እሞ ደኣ በቲ ዘይተጸበዮ ሃንደበት ዝረኸቦ ሃብቲ እንታይ ክገብር ይኽእል? እንታይ ሓሳብ ኣለዎ? ካብ ትካል እቲ ሎተሪ ብዝተረኽበ ሓበሬታ ፈለማ ሞተር ብሽክለታ ክዕድግ እዩ። እቲ ሚስተር ሮበርትስ ዝረኸቦ ዓወት ናይ ሎተሪ ኣብ ህይወቱ ፍሉይ ዕድል ስለዝኸፈተሉ ገሊኦም ሰባት “ዕድለኛ” ክብሉ እዮም ዝጽውዕዎ ። ብመሰረት ሕጊ ጸወታ እቲ ሎተሪ፡ ኣብ ዓመት 25,000 ዶላር ናይ ምዕዋት ዕድል፡ ሓደ ካብ 1,813,028 ዝርከብ ምዃኑ ይግለጽ። ተቐማጦ ማሳቹሰትስ፡ ካብ ኣብ ካልእ ክፍልታት ኣመሪካ ንላዕሊ ሰባት ሎተሪ ከምዝጻወቱ ይፍለጡ።","category":"ሰሜን ኣሜሪካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3g199kjvvjo"} {"headline":"ፕረዚደንት ባይደን ኣሜሪካ ንኣፍሪቃ ናይ ቢልዮናት ሓገዝ ከምእትገብር ኣፍሊጡ","content":"ኣመሪካ ንኣህጉር ኣፍሪቃ ንምድጋፍ ብብልዮናት ዶላራት ዝግመት ሓገዝን ወፍርን ክትገብር ምዃና ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣፍሊጡ። ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዘአንግድ ዘሎ ባይደን \"ሕቡራት መንግስታት [ኣመሪካ] ኣካል መጻኢ ኣፍሪቃ ክትከውን'ያ\" ክብል ነቶም 49 መራሕቲ ሃገራት ቃል ኣትዩሎም። ኣሜሪካ ድሕሪ 8 ዓመታት ንፈለማ እዋን'ያ ከምዚ ዓይነት ዋዕላ ተአንግድ ዘላ። ዕላማ ናይቲ ዋዕላ፡ ኣመሪካ ኣብታ ኣህጉር ዘለዋ ጽልዋ ዳግም ብምብርባር ንምትእትታው ቻይናን ሩስያን ንምድራት ምዃኑ ይግመት። ኣብቲ ዋዕላ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝርከብዎም 49 መራሕቲ ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ይሳተፉ ኣለዉ። ሰብ መዚ ኣመሪካ ንኤርትራ በቲ ዘለዎም ሓርፋፍ ዲፕሎማስያዊ ርክብ፡ ንሶማሊላንድ ከኣ ከም ሃገር ስለዘይፈልጥዎ ከምዘይዓደምወን ገሊጾም። ብጆ ባይደን ተሳዒሩ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ስልጣኑ ከረክብ ዝተገደደ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ዝተኸተሎም ፖሊሲታት ንመራሕቲ ኣፍሪቃ ዝንጽልን ንሃገራት ኣፍሪቃ ዘነኣእስን ምንባሩ ይዝከር። ብኣንጻሩ፡ ባይደን ሃገሩ ምስ ኣፍሪቃ ኣገዳሲ ምትእስሳር ከምዘለዋ ብምግላጽ እወታዊ ቃና ከቃልሕ ፈቲኑ'ሎ። \"ኣፍሪቃ ምስ እትዕወት ሕቡራት መንግስታት [ኣመሪካ] ትዕወት። ብሓቂ'ውን ዓለም ብምልእታ'ያ ትዕወት\" ክብል ነቶም ዝዓደሞም መራሕቲ ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ተዛሪቡ። ንዓለም ኣጋጢሞማ ዘለዉ ቅልውላዋት ኣብ ምፍታሕ'ውን፡ ኣፍሪቃዊ መሪሕነት፡ ሓሳብን መሃዝነትን ከምዘድሊ ዘነጸረ ባይደን፡ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበሩ ምምሕዳራት ኣመሪካ ኣብታ ኣህጉር ዝገበርዎ \"ኣገዳሲ\" ወፍሪ (ኢንቨስትመንት) ከሐይሎ ምዃኑ ገሊጹ። ከም መርኣያ ናይዚ ድማ፡ ኣመሪካ ኣብ ዝቕጽል ዓመታት 55 ቢልዮን ዶላር ክትምድብ ምዃና ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ጄክ ሱሊቫን ሓቢሩ'ሎ። እቲ ሎሚ ሓሙስ ክዛዘም ትጽቢት ዝግበረሉ ዋዕላ ኣፍሪቃን-ኣመሪካን ካብ ዝዘተየሎም ቀንዲ ዛዕባታት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም፣ እንተኾነ ግን፡ እዞም ክሳብ ሕጂ ዝተወስዱ ተበግሶታት ዛጊት ከምቲ ዝተነግረሎም ዓወት ኣየመዝገቡን። ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣፍሪቃ ሓደ ሚእታዊት ንግዳዊ ንጥፈታት ኣመሪካ'ያ እትውክል። ንሱ'ውን እንተኾነ፡ በቲ ካብ ኣንጎላን ናይጀርያን ዝኣቱ ነዳዲ ዝተዓብለለ'ዩ። ፕረዚደንት ባይደን ኣብቲ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ናይ መጓዓዝያ ወጻኢታት ንምንካይ ነቲ ኣብ ሃገረ በኒን ዘሎ ወሳኒ ወደብ ንምዕባይ 500 ሚልዮን ዶላር ወፍሪ ከምዝግበር ተዛሪቡ። ብዘይካ'ዚ፡ ንዲጂታላዊ ቁጠባ እታ ኣህጉር ንምድንፋዕ፡ ተወሳኺ 350 ሚልዮን ዶላር ክምደብ'ዩ ኢሉ። ኣስታት 15 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ስምምዓት ኣብቲ ኣብ ጎኒ ናይቲ ዋዕላ ዝተኻየደ መደረኽ ንግዲ ኣፍሪቃን ኣመሪካን (US-Africa Business Forum) ተበጺሑ ከምዘሎ'ውን ተፈሊጡ። ኣመሪካ፡ ምስቲ ኣብ 2018 ዝተበጽሐ ስምምዕ ናጻ ንግዲ ኣፍሪቃ ምርዳድ ክትፍርም ምዃና ባይደን ኣሚቱ'ሎ። ስምምዕ ናጻ ንግዲ ኣፍሪቃ፡ ካብ ኬፕታዉን ክሳብ ካይሮ ንዘለዉ 1.2 ቢሊዮን ሰባት ዝሓቁፍ ኮይኑ፡ ኣቑሑን ኣገልግሎትን ሰራሕተኛታትን ኣብ 50 ሃገራት ኣፍሪቃ ብነጻ ክኣትዉን ክወጹኡን ዘፈቅድ'ዩ። ኣብቲ ኣህጉር ዘሎ ስእነት ስራሕ መንእሰያት ብምንካይ ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸር ዕድል ስራሕ ክፈጥር'ዉን ትጽቢት ይግበረሉ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ኣፍሪቃ ልዉዉጥ ንግዲ ብምዕባይ ሃገራት ምዕራብን ምብራቕን ጥረ ኣቕሐ ደልየን ዝመጽኣ ኣህጉር ካብ ምዃን ዘናግፋ'ዉን ክኸዉን'ዩ። \"እቲ ስምምዕ፡ ሓደስቲ ዕድላት ንግዲን ወፍርን ዝኸፍት'ዩ\" ክብል ባይደን ገሊጽዎ። ፕረዚደንት ባይደን፡ ንመራሕቲ ናይተን ኣብ ዓመተ 2023 ሃገራዊ ምርጫታት ዘካይዳ 5 ሃራት ንበይኖም ረኺቡ ኣዘራሪብዎም ኣሎ። ሎሚ ኣብ ዝህቦ መግለጺ'ውን፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣባል ቁጠባዊ ምትእኽኻብ ሃገራት ጉጅለ-20 ክኸውን ደገፉ ክህብ ትጽቢት ይግበረሉ። ኣብ ዝመጽእ ሓድሽ ዓመት ናብታ ኣህጉር ምብጻሕ ከምዘካይድ ክሕብር ከምዝኽእል'ውን ኣመታት ኣለዉ። ምትእስሳር ኣመሪካን ኣፍሪቃን ነባሪ ክኸውን ዝኽእል፡ ኣመሪካ ምስታ ኣህጉር ዘለዋ ርክብ ኪኖ'ቲ ምስእ ቻይናን ሩስያን እትገብሮ ጂፖለቲካዊ ውድድር ብምሕላፍ፡ ስትራተጂካዊ ዝምድና ክትምስርት እንተኺኢላ ጥራይ'ዩ- ብዓይኒ ተንተንቲ። እዞም ኣብዚ ዋዕላ'ዚ ዝተኣትዉ መብጽዓታትን ሰናይ ትምኒታትን ናብዚ ዘብጽሑ እንተኾይኖም ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕን ዓመታት ክራኣዩን ክምዘኑን ምዃኖም ዘይተርፍ'ዩ።","category":"ሰሜን ኣሜሪካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/clwg5zq1lp3o"} {"headline":"ድሕሪ 51 ዓመት ምስ ወለዳ ዳግም ዝተራኸበት ሰበይቲ","content":"መሊሳ ሃይስሚዝ ብኣላዪታ ተወሲዳ ካብ እትሰወር ንደሓር ወለዳ ተስፋ ቈሪጾም ቀቢጾማ ነይሮም። ደሓር ግን ውጽኢት ምርመራ ዲኤንኤ ማዕረ ኰይኑ ምስተረኸበ፡ ድሕሪ 51 ዓመት ምስ ወለዳ ዳግማይ ተጸንቢራ። ምስ ወለዳ ኣብ ዝተራኸበትሉ ቅጽበት ወለዳ ብዓሚቝ ታሕጓስ ነቢዖም።","category":"ሰሜን ኣሜሪካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3gp7d9d4vjo"} {"headline":"ልዕሊ 20 ኣንስቲ ዝነበራኦ፡ 'ነቢይ እየ' ዝብል መራሕ ሃይማኖት","content":"ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንነብሱ ከም ነቢይ ዝርእያ ሳሙኤል ባትማን ገሊአን ትሕቲ 18 ዓመት ዕድመ ዘለወን ልዕሊ 20 ኣንስቲ ከምዝነበራኦ ኤፍ.ቢ.ኣይ ሓቢሩ። ሳሙኤል ራፒለ ባቲማን፡ ፍቓድ እግዚኣብሄር’ዩ ብምባል ምስ 20 ዝዀና ኣንስቱ ጾታዊ ርክብ ከምዝፈጸመ ኤፍ.ቢ.ኣይ ሓቢሩ። ወዲ 46 ዓመት ባትማን፡ ቈልዑ መፍቶ ጾታዊ ርክብ ንክዀኑ ናብ ዝተፈላለያ ግዝኣታት ኣሜሪካ ይንቀሳቐሱ እንተነይሮም ክምርምር ንዝድለ መዛግብቲ ብምዕናው፡ ንስርዓተ ፍትሒ ብምስንኻሉ ኣብ መስከረም ተኸሲሱ ነይሩ። እቲ ዝርዝር ካብቲ ትማል ዓርቢ ኤፍ.ቢ.ኣይ. ዝሃቦ ጸብጻብ እዩ መጺኡ። ባትማን ናይ ገዛእ ርእሱ ሞርሞን ዝበሃል ቤተክርስትያን ክሳብ ዝምስርት ኣባል ናይታ ዳሕራይ ቤተክርስትያን ቅዱሳን ዝተባህለት ቅድም መባእታዊ ቤተክርስትያን ክርስቶስ እዩ ነይሩ። ኤፍ.ቢ.ኣይ፡ እቶም ንባትማን ብገንዘብ ዝድግፍዎ ደቂ ተባዕትዮ ተኸተልቱ፡ ኣንስቶምን ደቆምን ከይተረፈ ኣንስቱ ንክዀና ኣሕሊፎም ይህብዎ ከምዝነበሩን ነቶም ከም ነቢይ ዘይርእዩዎ ሰዓብቱን ተኸተልቱን እውን ከምዝቐጽዐ ሓቢሩ። ኣብ ነሓሰ፡ ባትማን ኣብ ሓንቲ ተጐታቲት መኪና ካብ 11 ክሳዕ 14 ዝዕድሚአን ሰለስተ ኣዋልድ ሒዙ እንከሎ ምስተታሕዘ፡ ብዋሕስ'ኳ እንተወጽአ፡ ዳሕራይ ግን መዛግብቲ ብምጥፋእን ፍትሒ ብምስንኻልን ተኸሲሱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ። ኣብ ፈለማ ኣዋርሕ ናይዛ ዓመት፡ ትሽዓተ ኣዋልድ፡ ካብ መዕቆብን መእለይን ባትማን፡ ብኣገልግሎት ቈልዑ ኣሪዞና ተኣልየን። ዝሓለፈ ሕዳር ከኣ ሸሞንተ ካብኣተን ካብቲ ብሓባር ዝነብራሉ ዝነበራ ኣባይቲ ሃዲመን። ሓደ በዓል ስልጣን ዋሽንግተን ስተይት፡ ሓንቲ ካብተን ኣንስቲ ባትማን ንእትዝውራ ዝነበረት መኪና ብምስዓብ፡ ከምዝተኸታተልዎም እቲ ምስክርነት የረድእ። እታ መራሒት መኪናን ክልተ ኣንስቲ ባትማንን ብምስግጋር እተጨውዩ ቈልዑ ተኸሲሰን ከምዘለዋ ኤፍ.ቢ.ኣይ ሓቢሩ። እታ መራሒት መኪና፡ ጓል 18 ዓመት እንከላ ሰይቲ ባትማን ከም ዝዀነት፣ 18 ዓመት ምስ መልአት ድሕሪ  ሸውዓተ ወርሒ ከኣ ከምዝወለደት ኤፍ.ቢ.ኣይ ሓቢሩ። እተን ካብ መዕቆቢ ባትማን ዝተወስዳ ትሽዓተ ደቀንስትዮ፡ ኣብቲ ምስ ኤፍ.ቢ.ኣይ ዝገበራኦ ቃለመጠይቓት፡ ንባትማን ብጾታዊ ዓመጽን ማህሰይትን ኣይጠቐሳኦን፤ ኣብ መጽሔታት ግና ምስኡ ጥቡቕ ርክብ ከም ዝነበረን እየን እቲ ቃለ ምስክርነት ዝገልጽ። ከም ሳዕቤኑ መባእታዊ ቤተ-ክርስትያን የሱስ ክርስቶስ ከም ጕጅለ ጽልኢ ተሰይማ ኣላ። ብ2011፡ ሓደ መራሒ እታ ቤተክርስትያን ንኽልተ ትሕቲ ዕድመ ደቀንስትዮ ከም ኣንስቱ ወሲዱ ጾታዊ ዓመጽ ስለዘብጽሓለን ንሕልፈት ክእሰር ተፈሪዱ እዩ።","category":"ሰሜን ኣሜሪካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cz580nkxg0go"} {"headline":"ኣብ ዓለም ዝዓበየ ዱጉል እሳተጎመራ ክነቱግ ጀሚሩ","content":"ኣብ ኣመሪካ ክፍለሃገር ሃዋኢ ዝርከብ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ ዱጉል እሳተጎመራ ማውና ሎኣ ድሕሪ 40 ዓመታት ንፈለማ እዋን ክነቱግ ጀሚሩ። ነቲ ከባቢ ሓሙኽሽቲ ክዕብሉኾ ምዃኑ ሰብመዚ ህጹጽ ሓደጋታት ኣጠንቂቖም ኣለዉ። ትፋእ እሳተጎመራ (ላቫ) ካብቲ ጎቦ ከምዘይሓልፍን ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ዘብጽሖ ሓደጋ ከምዘይህሉን ሓቢሮም። እንተኾነ ግን፡ ሃገራዊ ትካል ዳህሳስ ስነምድሪ ኣመሪካ (ጂኦሎጂካል ሰርቨይ)፡ እቲ ኩነታት ሃንደበት ክቕየር ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ'ሎ። እቲ እሳተጎመራ፡ ብሰንበት ምሸት'ዩ ካብ ከርሲ ናይቲ ኣብ ሞኩኣዌዊኦ ዘሎ ጥርዚ ክነትጒ ጀሚሩ። እሳተጎመራ ማውና ሎኣ፡ ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን 1984 ኣብ ዝነተጎሉ እዋን፡ ዝተፍኦ ሓዊ ክሳብ 8 ኪሜ ብምፍሳስ ንከተማ ሂሎ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩዋ ምንባሩ ይግለጽ። ብኻልእ ወገን ኣብ ሃገረ ኢኳዶር'ውን ሓደ ዓቢ እሳተጎመራ ክተክኽ ጀሚሩ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ኣብ ሃገረ ኢኳዶር ዝርከብ እሳተጎመራ ኮቶፓክሲ ካብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ኣትሒዙ ክተክኽ ጀሚሩ'ሎ። እቲ ዘውጽኦ ትኪ ክሳብ 1.8 ኬሜ ንሰማይ ክዓርግ ከምዝተራእየ ጸብጻባት ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም። ሓሙኽሽቲ'ውን ኣብ ርእሰከተማ ኲቶን ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሩባታትን ክዓልብ ከምዝጀመረ ትካል ጂኦፊዚክስ እታ ሃገር ሓቢሩ። እቲ ፍሉጥ እምባ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ጋዝ ክተፍእ'ኳ እንተጸንሐ፡ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ዝተራእየ ግን ካብ ንቡር ንላዕሊ ምዃኑ ተገሊጹ። እሳተጎመራ ኮቶፓክሲ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ንጡፋት እሳተጎመራታት ላቲን ኣመሪካ'ዩ። ዛጊት ብዓሰርተታት ንዝቑጸር ግዜ ዝነቶገ እቲ እሳተጎመራ፡ ኣብ ነሓሰ 2015 ድሕሪ ናይ 70 ዓመታት ተዛማዲ ህድኣት ልዑል መጠን ዘለዎ ሓሙኽሽቲ ክተፍእ ተራእዩ ነይሩ። እቲ ዝዓበየ ነትጒ ግን ኣብ 1877 ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ዝተፍኦ ጭቃ ክሳብ 100 ኪሜ ፈሲሱ ምንባሩ ይንገር። እቲ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ከቢድ ስግኣት ዝፈጥር እሳተጎመራ፡ ንብዙሓት ቀባእቲን ስኣልትን ግን ሞያዊ መስሕብ ምዃኑ ይግለጽ።","category":"ሰሜን ኣሜሪካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cnd5zp54e60o"} {"headline":"እስላማዊ መንግስቲ (ኣይኤስ) ዝሞተን ዝተተክአን መራሒኡ ኣፍሊጡ","content":"እስላማዊ መንግስቲ (ኣይኤስ) መራሒኡ ነበር ኣቡ ኣልሓሰን ኣልሓሸሚ ኣልቝረይሺ ከም ዝሞተ ኣፍሊጡ። እዚ ሓይሊ እዚ ሕጂ እውን እንተዀነ ኣብ ዝተፈለላየ ከባቢታት ዒራቕን ሶርያን ገና መጥቃዕቲ የካይድ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኰይኑ ኣፈኛኡ ብድምጺ ኣብ ዘመሓለለፎ መልእኽቲ፡ መራሒኦም ነቶም  \"ጸላእቲ ኣምላኽ\" ኢሉ ዝጸውዖም ሓይልታት እናተዋግአ ከም ዝተቐትለ ሓቢሩ። ኣበይን መዓስን ከምዝሞተ ግን ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣይሃበን። መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ኣብ መፋርቕ ጥቅምቲ፡ ምስቲ ኣብ ደቡብ ምዕራብ ሶርያ ዝርከብ ነጻ ሰራዊት ሶርያ ዝተባህለ ሓይሊ ብዘካየዶ ስርሒት ከም ዝተቐትለ ገሊጹ ነይሩ። ቅድሚ ኣልሓሰን ኣልሓሸሚ ዝነበረ መራሒ እስላማዊ መንግስቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ሶርያ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዱ እዩ ነብሱ ፈንጂሩ ሞይቱ። እቲ ኣፈኛ፡ መተካእታኡ እቲ ኣብ ሕዳር ዝሞተ መራሒኦም፡ ኣቡ ኣልሑሴን ኣልሑስኒ ኣልቝረይሺ ከምዝተሰየመ ሓቢሩ። እቲ ኣፈኛ ከም ወትሩ ሓቀኛ ስሙን መንነቱን ካብ ምግላጽ ተቐጢቡ ኣሎ፤ ድሕረ ባይታኡ እውን ኣይገለጸን። ንኣቡ ኣልሑሴን፡ \"ሓደ ካብ ገዲም ተጋዳላይ ሙጃሂዲን\" ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ፣ ንደገፍቲ እቲ ጕጅለ ድማ፡ ንዕኡ እሙናት ከም ዝዀኑ ቃል ክኣትዉ ተማሕጺንዎም እዩ። እቲ ኣፈኛ፡ ንኣቡ ኣልሑሴን - እዚ ሓድሽ መራሒ - ካብቶም “ስሙያት ተጋደልቲ፡ (ሙጃሂዲን) እዩ” ብምባል፡ ደገፍቱ ተኣማምነቶም ከርእዩ ጸዊዑ። እቲ ሞይቱ ዝበሃል ዘሎ ኣቡ ኣልሓሰን፡ ብዝሙ ዝዀነ መግለጺ ከውጽእ ተሰሚዑ ስለዘይፈልጥ፡ ብዛዕባኡ ብዙሕ ዝፍለጥ ነገር የሎን። ይዅን እምበር ትማሊ ሰኑይ፡ ኣንጻር ISIL ዝዓዪን ንኣልቓዒዳ ዝድግፍ መስመር ቴለግራም፡ እቲ መራሒ \"ቅድሚ ዝተወሰነ እዋን\" ከም ዝተቐትለ ገሊጹ’ሎ። ሓይልታት ኣሜሪካ ኣብ ሶርያ ንሓያሎ መራሕቲ እስላማዊ መንግስቲ ብህይወቶም ከምዝሓዙ ይገልጽ። ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እዚ ሕጂ ከም መራሒ ተሰምዩ ዘሎ ኣቡ ኣልሓሰን ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሶርያ ኣብ እትርከብ ደርዓ እትበሃል ከተማ፡ ብነጻ ሰራዊት ሶርያ ከም እተቐትለ ሓቢሩ። እቲ ንሓያሎ ዕጡቓት ጕጅለ ጠርኒፉ ከም ጽላል ዝቘመ ነጻ ሰራዊት ሶርያ ዝበሃል ሓይሊ፡ ኣብ  ውግእ ሓድሕድ እታ ሃገር ንፕረዚደንት ባሻር ኣልኣሳድ ክድምስስ ዝደሊ ምዃኑ ይፍለጥ። ሓደ ወተሃደራዊ ወሃቢ ቃል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ሓይልታት ኣሜሪካ ከም ዘይተሳተፉ ሓቢሩ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣፈኛ ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ፡ ጆን ኪርቢ፡ \" ሓደ መራሒ [ISIS] ነበር ደጊም ኣብ ገጽ ምድሪ ብህይወቱ ኣይክንቀሳቐስን እዩ ንዝብል ብስራት ብሓጐስ ኢና እንቕበሎ\" ኢሉ። ሓደ እዋን ኣይሲስ፡ ካብ ምብራቓዊ ዒራቕ ክሳብ ምዕራባዊ ሶርያ ኣብ ዝዝርጋሕ 88,000 ትርብዒት ኪሎ ሜትር፡ ዳርጋ ሸሞንተ ሚልዮን ህዝቢ ዘስካሕክሕ መግዛእቲ ኣኸቲሉ እዩ። እቲ ጕጅለ ኣብ 2019 ካብቲ ንመወዳእታ ሒዙዎ ዝነበረ ግዝኣት እኳ እንተተደፍአ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ጕጅለ ቀጻሊ ስግኣት ኰይኑ ከም ዝጸንሐ ኣጠንቂቝ ነይሩ። ኣይሲስ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ካብ 6,000 ክሳዕ 10,000 ዝዀኑ ተዋጋእቲ ከም ዘለውዎ እዩ ዝግመት። መብዛሕትኦም ኣብ ገጠራት ዝነብሩ ኰይኖም፡ ናይ ጽርግያ ፈንጂታት ይቐብሩን፡ ቀጻሊ ድብያታት ብምክያድ ኣጥቂዖም ይስወሩን። ኣብ ዝተፈላለየ ዞባ ዝንቀሳቐሱ ኣይሲስ እውን ካልእ ተወሳኺ ስግኣት ከምዝፈጥሩ ይፍለጥ። ይዅን እምበር ሕቡራት ሃገራት እቶም ኣዝዮም ሓያላትን ጽኑዕ መሰረት ዘለዎምን መርበባት እቲ እስላማዊ መንግስቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ሶማልን ኣብ ጫድን ከም ዝርከቡ ይሕብር።","category":"ሰሜን ኣሜሪካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c0weq7yee67o"} {"headline":"ናንሲ ፔሎሲ፡ ድሕሪ 20 ዓመታት ካብ መዝነታ ክትወርድ እያ","content":"ንኣስታት 20 ዓመታት ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ንሰልፊ ዲሞክራት ክትመርሕ ዝጸንሐት ናንሲ ፔሎሲ፡ ካብ ሓላፍነታ ከም እትወርድ ኣፍሊጣ። እታ ጓል 82 ዓመት ኣብ ኮንግረስ እታ ዝሓየለት ዲሞክራትን ኣፈኛ ባይቶን ኰይና ዘገልገለት ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ እያ። ንግዝኣት ካሊፎርንያ ወኪላ ግን ኣብ ታሕተዋይ ባይቶ ኮንግረስ ክትቅጽል እያ። እዚ ዝዀነሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ሪፓብሊካን ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ናይ መፋርቕ መረጻ ነቲ ባይቶ ዳግማይ ክቆጻጸርዎ’ዮም ዝብል ግምት ኣብ ዝወሃበሉ ዘሎ እዩ። ሪፓብሊካን ኬቪን ማካርቲ ኣብቲ ሓድሽ ኮንግረስ ኣፈኛ ንምዃን በቲ ሰልፊ ተሓጽዩ ኣሎ። በዚ መሰረት፡ ንፔሎሲ ክትክእ ተኽእሎ ኣሎ። ፔሎሲ፡ ትማሊ ሓሙስ ኣብቲ ባይቶ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ \"ሓደ መዓልቲ ካብ ኣላዪት ገዛ ናብ ኣፈኛ ባይቶ ክበጽሕ’የ እየ ኢለ ፈጺመ ኣይምሓሰብኩን ነይረ\" ኢላ። ወሲኻ፡ \"ኣብ ዝቕጽል ኮንግረስ ንደሞክራትስ ንምምራሕ ዳግማይ ክምረጽ ኣይደልን። ሓድሽ ወለዶ ንጉባኤ ደሞክራት ዝመርሓሉ ግዜ በጺሑ ኣሎ\" ክትብል ተዛሪባ። ንሳ፡ እቲ ሓድሽ ባይቶ ስልጣን ክሳዕ ዝርከብ ክሳዕ ወርሒ ጥሪ ኣፈኛ ኰይና ክትቕጽል እያ። ክሳብ ጥሪ 2025 ድማ ኣብቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 1987 ዝወሰደቶ መንበር ክትጸንሕ እያ። ኣባል ኮንግረስ ኒውዮርክ ሓኪም ጀፍሪስ ኣብቲ ባይቶ ላዕለዋይ ደረጃ መሪሕነት ዲሞክራት ክሕዝ ምዃኑ ብሰፊሑ ይግመት። እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ናይ መጀመርታ ጸሊም መራሒ ኮንግረስ ክገብሮ እዩ። ኣፈኛ ባይቶ፡ ኣብ ቅዋም ኣሜሪካ ብዝርዝር ዝሰፈረ ሓደ ናይ ኮንግረስ ስራሕ እዩ። በዚ መሰረት፡ ነዚ ስልጣን ዝሕዝ ሰብ ድሕሪ ምክትል ፕረዚደንት ቀጺሉ ዝስራዕ ይኸውን። ኣፈ ጉባኤን ምክትላትን ከምኡ'ውን ኣቦ መንበራት ኮሚተ፡ እንታይ ዓይነት እማመታት ከም ዝረኣዩን ድምፂ ከምዝወሃቦምን ይውስኑ። ከምኡ’ውን፡ ኣጀንዳ የቐምጡን ንክትዕ ዝምልከት ሕግታት ይውስኑን። ፔሎሲ ከም መጠን ኣፈኛ፡ ኣጀንዳታት ብዙሓት ፕረዚደንታት ኣብ ምጽዳቕ - ወይ ኣብ ምፍሻል - ወሳኒ ተራ ነይሩዋ። ንሳ፡ ነቲ ፕረዚደንት ነበር ባራክ ኦባማ ዝፈረሞ ሕጊ ክንክን ጥዕና፡ ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዘቕረቦም ንትሕተ ቅርጽን ክሊማዊ ለውጥን ዝምልከቱ እማመታት ኣብ ምጽዳቕ ብሰፊሑ ይንገረላ። ብተወሳኺ፡ ፔሎሲ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓሎም ዓመታት ብቐጥታ ትምጉቶ ነይራ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ገዝኣ ብዝተፈጸመ ጐነጻዊ መጥቃዕቲ ወዲ 82 ዓመት በዓል ቤታ ፖል ጉድኣት ከም ዝበጽሖን መጥባሕቲ ርእሲ ከም ዝገበረን ይዝከር።","category":"ሰሜን ኣሜሪካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ce4gxz1gg8yo"} {"headline":"ባይደን፡ ምስ ቻይና ‘ሓድሽ ዝሑል ኲናት ከምዘይህሉ’ ቃል ኣትዩ","content":"ምስ ቻይና ዘለዎም ርክብ ንምምሕያሽ ምስ ፕረዚደንት ዢ ጂን ፒንግ ዝተራኸበ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ምስ ቻይና ‘ሓድሽ ዝሑል ኲናት ከም ዘይህሉ’ ቃል ኣትዩ። ቻይና ንታይዋን ክትወርር እያ ዝብል እምነት ከም ዘይብሉ እውን ገሊጹ። ባይደን ናብ መዝነት ካብ ዝመጽእ፡ እቶም መራሕቲ ክልቲአን ሓያላት ሃገራት ንፈለማ እዋን እዮም ብኣካል ዝራኸቡ ዘለዉ። እቶም መራሕቲ፡ ቅድሚ እቲ ኣብ ኢንዶነዥያዊት ደሴት ባሊ ዝተጀመረ ጉባኤ ሃገራት ጕጅለ ዕስራ (G20) ዘካይድዎ ዘተ፡ ብዛዕባ ሰሜን ኮርያን ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራርን እውን ተዘራሪቦም። ክልቲኦም መራሕቲ ድማ ኣብ ዩክረይን ኣጽዋር ኑክሌር ምጥቃም ከም ዝቃወሙ ገሊጾም። ንፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ክግስጾ ተደጋጋሚ ጻውዒት ክቐርበሉ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ዢ፡ ቻይና ንሰላም ዘለዋ ጻውዒት ብምርግጋጽ፡ እንተዀነ “ንዝተሓላለኸ ጸገም ቀሊል ፍታሕ የለን” ክብል ተዛሪቡ። ኣብ ጉዳይ ኮርያ፡ ቻይና ንሰሜን ኮርያ ክትቈጻጸራ ትኽእል እያ ዝብል እምነት ከም ዘይብሉ ዝገለጸ ፕረዚደንት ባይደን፡ ካልእ ፈተነ ኑክሌር ከይትገብር ደው ናይ ምባል ሓላፍነት ኣለዋ ኢሉ። ብተመሳሳሊ፡ ታይዋን እውን ቀንዲ ዛዕባ እቲ ሰለስተ ሰዓታት ዝወሰደ ዘተ እቶም መራሕቲ እያ ነይራ። እታ ቻይና ከም ናይ ገዛእ ርእሳ ግዝኣት እትቘጽራ ብርእሳ እትመሓደር ደሴት፡ ንኣሜሪካ ከም ቀንዲ መሻርኽታ እትወስዳ ኰይና፡ ንርክብ ክልቲአን ሃገራት ዕንቅፋት ካብ ዝዀኑ ዛዕባታት ሓንቲ እያ። ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ፡ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ናንሲ ፔሎሲ ኣብ ታይዋን ድሕሪ ምብጻሓ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሓያላት ሃገራት ወጥሪ ዓሲሉ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ቻይና ኣብ ጥቓ እታ ደሴት ገዚፍ ወተሃደራዊ  ልምምድ ብምክያድ ግብረ መልሲ ዝሃበት ኰይና፡ ኣብ መንጐ ኣሜሪካን ቻይናን ጐንጺ ከይለዓል ተሰጊኡ ነይሩ። ፕረዚደንት ዢ ጉዳይ ታይዋን “ኣስኳል ማእከል ረብሓ ቻይና ከምኡ ድማ ኣብ ርክብ ኣሜሪካን ቻይናን ዘይጠሓስ ቀዳማይ ቀይሕ መስመር” ምዃኑ ንፕረዚደንት ባይደን ከም ዝገለጸሉ ሃገራዊ ሚድያ ቻይና ሓቢራ። ቻይና ኣብ ታይዋን ክትፍጽሞ እትደልይ ወረራ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ክተቀላጥፎ ከም ዝኽእል ሰብ መዚ ኣሜሪካ ኣብ ቀረባ ገሊጾም ነይሮም። እዚ መረዳእታ ሓቂ እንተዀይኑን ካልእ ዝሑል ኲናት ይጥጃእ እንተሃልዩን ካብ ጋዜጠኛታት ሕቶ ዝቐረበሉ ፕረዚደንት ባይደን “ሓድሽ ዝሑል ኲናት የድሊ እዩ ኢለ ኣይኣምንን። ብዙሕ ግዜ ምስ ዢ ጂንፒንግ ተዘራሪብና ኢና፤ ንሓድሕድና ድማ ግልጽን ቅኑዓትን ኔርና። ቻይና ንታይዋን ንምውራር እትፍትን ኣይመስለንን፡\" ኢሉ። ፕረዚደንት ባይደን ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዘለዉ ጸገማት ንምፍታሕ ኣብ መንጐ ላዕለዎት ሰብ መዚ ዘተ ክካየድ ከም ዝተሰማምዑ ክግለጽ እንከሎ፡ ጸሓፊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ቀረባ ናብ ቻይና ከም ዝጓዓዝ ተሓቢሩ። ብተወሳኺ ኣሜሪካ ኣብ ታይዋን ዘለዋ ፖሊሲ ፍጹም ከም ዘይቀየረት ባይደን ተዛሪቡ። ንሱ፡ ቻይና ንታይዋን እንተወሪራታ ኣሜሪካ ከም እትከላኸለላ ብተደጋጋሚ ገሊጹ እዩ። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ቻይና ዘለዎ ሻቕሎት ንመራሒ ቻይና ከም ዝገለጸሉ ዝተሓበረ ኰይኑ ብፍላይ ኣብ ኣተሓሕዛ ዓሌት ዊገር ዘተኮረ ነይሩ።","category":"ሰሜን ኣሜሪካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cx9e8z7nrp0o"} {"headline":"ሰሜን ኮርያ፡ ጓል ኪም ንፈለማ ግዜ ንህዝቢ ተቓሊዓ፤ ስለምንታይ?","content":"መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን፡ ንፈለማ ግዜ ምስ ንእሽቶ ጓሉ ን ህዝቢ ተራእዩ፤ ነቲ ንነዊሕ እዋን ብዛዕባ ህላወኣ ክዝርጋሕ ዝነበረ ወረ ኣረጋጊጹ። እታ ስማ ኪም ቹ-ኤ ክኸውን ከም ዝኽእል እትግመት ጓል፡ ኣብቲ ኣቦኣ ብዓርቢ ዘካየዶ ምዕዛብ ፈተነ ስግረ-ኣህጉራዊ ባሊስቲክ ሚሳይል ምስኡ ነይራ። ክልቲኦም ኣቦን ጓልን ኣብቲ ብኣሜሪካ ዝተወገዘ ፈተና ሚሳይል ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ተራእዮም። ኪም መራሒ ናይ ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ምስጢራውያን ሃገራት ዓለም ኰይኑ፡ ብዛዕባ ውልቃዊ ህይወቱ’ውን ዝፍለጥ ብዙሕ የለን። ብመንግስታዊ ማዕከን ዜና ‘ታ ሃገር ዝተዘርግሐ ኣሳእል ኪምን ጓሉን፡ ክልቲኦም ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ክዕልሉ፡ ምስ ሰበስልጣን ክዘራረቡ፡ ሚሳይላት ክምርምሩን ካብ መርኣዪ ስፍራ ነቲ ፈተነ ክዕዘቡን ዘርኢ እዩ። ንተንተንቲ ሰሜን ኮርያ፡ ካብቲ ንኣሜሪካ ክሃርም ዝኽእል ተባሂሉ ዝሕሰብ፡ ዕዉት ፈተነ ዝሓየለ ስግረ-ኣህጉራዊ ባሊስቲክ ሚሳይል ንላዕሊ፡ ግልጸት ጓል ኪም ጆንግ ኡን ኣዝዩ ኣገዲስዎም ኣሎ። ምኽንያቱ፡ ብዛዕባ መጻኢ ናይቲ ስርዓትን መደብ ኑክሌሳዊ ኣጽዋርን ተተሓሒዙ፡ ገለ ኣገዳሲ ሕቶታት ስለዘልዕል። ቀዳማይ፡ ተካኢት ኪም ጆንግ ኡን ኰይና ሓደ መዓልቲ ንሰሜን ኮርያ ክትመርሕ ተሓርያ ዶ ትኸውን? ክኸውን ዘይክእል ነገር ኣይኰነን - ብርግጽ። ኣብዚ ስድራቤታዊ ስርወ መንግስቲ፡ ኪም ሓደ ካብ ደቁ ልጓም መንግስትነት ክሕዙ ክደሊ እዩ። ካልኣይ፡ ስለምንታይ ሕጂ ክትቃላዕ ተደልዩ? ገና ኣዝያ ንእሽቶ እያ ዘላ። ስልጣን ክትሕዝ የዳልዋ ኣሎ እንተዀይኑ፡ እቲ ጥዕና ከምዘይብሉ ዝግመት ወዲ 38 ዓመት መራሒ፡ ጥዕናኡ ከምቲ ዝበሃል ሕማቕ እዩ ማለት ድዩ? ጥዕናኡ ምስ ምርግጋእ እቲ ስርዓት ተተሓሒዙ፡ ጠንቂ ዝዓበየ ሓደጋ ክኸውን ይኽእል እዩ ተባሂሉ ስለዝግመት፡ ኣርእስቲ ብዙሕ ግምታት ኰይኑ ጸኒሑ እዩ። ሳልሳይ፡ ብዛዕባ መደባት ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ሰሜን ኮርያ ኸ እንታይ ይነግር? ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓበይቲ መደባት ከምትቃላዕ ምግባር፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ መደባት ምምዕባል ኣጽዋር እታ ሃገር ወሳኒ ተራ ክትጻወት ምዃና ዝእምት እዩ። ኣብ ቀረባ እዋን ኪም ጆንግ ኡን፡ ኑክሌሳዊ መደባቱ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይዅን ኵነታት ከምዘይገድፍ ኣፍሊጡ እዩ። እዚ ኸኣ፡ መደባቱ ክሳብ ዝቕጽል ወለዶ ክጸንሕ ምዃኑ ንዓለም ዝነግር እዩ። ማይክል ማደን ዝተባህለ፡ ተንታኒ ሰሜን ኮርያ ካብ ማእከል ስቲምሰን ዋሽንግተን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ቹ-ኤ ካብ 12 ክሳብ 13 ዓመት ዕድመ ምዃና ከም ዝኣምን ገሊጹ። ኣብ ህዝቢ ምቕራባ፡ ሚስተር ኪም፡ \"ራብዓይ ወለዶ ተኸታታሊ ስልጣን ብመስመር ዝመጽእ እዩ\" ኢሉ ዘመልክት ዘሎ ክኸውን ከምዝኽእል ይገልጽ። ዝሓለፈ መስከረም፡ ቹ-ኤ ኣብ ጽምብል ሃገራዊ መዓልቲ እታ ሃገር ብቪድዮ ከምዝተራእየት ሓያሎ ክኢላታት ሰሜን ኮርያ ተዛሪቦም ነይሮም። እዚ ግን ግምታት ስለዝነበረ፡ መሪሕነት ሰሜን ኮርያ ብሓቂ ጓል እቲ መራሒ ምዃና ኣየረጋገጸን። ህላወ ቹ-ኤ ንፈለማ ግዜ ዝተጠቕሰ፡ ኣብ 2013 ኰይኑ፡ ኣሜሪካዊ ኮኾብ ተጻዋታይ ኩዕሶ ሰኪዐት ነበር ደኒስ ሮድማን፡ ኣብ እዋኑ ኣዛራቢ ዝነበረ መገሻ ናብ ሰሜን ኮርያ ድሕሪ ምክያዱ እዩ። ሮድማን ምስ ስድራቤት እቲ መራሒ ጽቡቕ ግዜ ከም ዘሕለፈን፡ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ከም ዝተዛነየን፡ \"ንጓሎም ቹ-ኣይ ከም ዝሓቘፈን\" ገሊጹ ነይሩ። ክኢላታት ከም ዝግምትዎ፡ ሚስተር ኪም ክልተ ኣዋልድን ሓደ ወድን፡ ብሓፈሻ ሰለስተ ቈልዑ ክህልውዎ ይኽእሉ፤ ቹ-ኤ ድማ እታ ዝዓበየት ክትከውን ትኽእል። መራሒ ሰሜን ኮርያ፡ ብዛዕባ ስድራኡ ምንም ዝፍለጥ ነገር ዘየለ ኣዝዩ ምስጢራዊ እዩ፤ በዓልቲ ቤቱ ሪ ሶል-ጁ እውን፡ ድሕሪ መርዓኦም ከይተረፈ ክሳብ ዝተወሰነ ግዜ ብምስጢር ተታሒዛ እያ ነይራ።","category":"ሰሜን ኣሜሪካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cz40e1gdgy1o"} {"headline":"ምስ ኦባማ ሳዕሲዐን ዝሃበባ ሰበይቲ ኣብ 113 ዓመተን ዓሪፈን","content":"ኣብ ዋይት ሃውስ ምስ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ሳዕሲዐን ሕልመን ዝረኣያ ሰበይቲ ኣብ መበል 113 ዓመት ዕድመአን ሞይተን። ቨርጂንያ ማክላውሪን ኣብ 2016 ምስ ቀዳማይ ጸሊም ፕረዚደንትን ቀዳመይቲ እመቤትን እታ ሃገር ክራኸባ እንከለዋ ዕድመአን 106 ዓመት ነይሩ። ኣብቲ እዋን ንፕረዚደንት ኦባማ \"እብለካ ኣለኹ፡ ኣዝየ ሕጕስቲ እየ\" ኢለናኦ ነይረን። \"ጸሊም ፕረዚደንት፡ ያዒስ! ከምኡ'ውን ጸላም በዓልቲ ቤቱ።\" ኣብ 2014 ምስ ፕረዚደንት ንምርኻብ ሓደ ግኑን ጥርዓን ጀሚረን። \"ቨርጂንያ ማክላውሪን እበሃል፡ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ እየ ዝነብር። ኣብ 1909 እየ ተወሊደ\" ክብላ ጽሒፈን። \"ምስ ፕረዚደንት ተራኺበ ኣይፈልጥን። ጸሊም ፕረዚደንት ክርኢ ክነብር እየ ኢለ ኣይሓሰብኩን፡ ምኽንያቱ ኣብ ደቡብ እየ ተወሊደ፡ እዚ ክመጽእ እዩ ኢለ ኣይሓሰብኩን።\" \"ኣዝየ ሕጕስቲ እየ፡ እንተዝኽእል ድማ ንዓኻን ንስድራ ቤትካን እንተዝረኽበኩም ደስ ምበለኒ።\" ኣስዒበን፡ \"ቅድሚ ፕረዚደንት ሁቨር ዝነበረ ግዜ ይዝከረኒ\" ይብላ። \"መብራህቲ ዘይነበረና ግዜ ይዝከረኒ። መብራህቲ ላምባ ነይሩኒ። እታ ናይ መጀመርታ ሞዴል መኪና ፎርድ ትዝከረኒ።\" \"በዓል ቤተይ ኣብ ሰራዊት እዩ ነይሩ። ኣብ 1941 ሞይቱ። ካብ ሽዑ ጀሚረ ኣብ [ዋሽንግተን] ዲሲ እየ ዘለኹ። ማርቲን ሉተር ኪንግ ክቕተል ከሎ ኣብዚ እየ ዝነብር ነይረ።\" ቨርጂንያ ኣብ ዝዘርግሓኦ ቪድዮ፡ ቅድሚ ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻደን ዝነበረ ግዜ ክሳብ ሕጂ ከም ዝዝክራኦ ገሊጸን ነይረን። \"ኣዝየ ንእሽቶ እየ ነይረ። [ኣብቲ ገዛ] ማይ ቡምባ ኣይነበረን፣ ካብ ዒላ ማይ ንቐድሕ ነይርና።\" ቨርጂንያ ማክላውሪን ብ1909 ተወሊደን። ሽዑ ህይወት ኣሜሪካውያን ከመይ ነይሩ? ህይወት ከም በዓል ቨርጂንያ ማክላውሪን ዝኣመሰሉ ኣፍሪቃውያን ኣሜሪካውያን ገና ድሩት እዩ ነይሩ። ሲቪላዊ መሰል ከይሃለወን እየን ተወሊደን። ስለዚ ድማ እዩ እቲ ናይ መጀመርታ ጸሊም ፕረዚደንት ምርኣየንን ምስኡ ምስዕስዐንን ኣዝዩ ዘሐጐሰን። ሃገራዊ ማሕበር ምዕባለ ሕብራዊ ሰባት (NAACP) ንሰን ኣብ ዝተወልዳሉ ዓመት እዩ ተመስሪቱ። ተልእኾኡ \"ፖለቲካዊ፡ ትምህርታዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ማዕርነት መሰላት ኵሎም ሰባት ምርግጋጽን ዓሌታዊ ጽልእን ዓሌታዊ ኣድልዎን ምውጋድን\" እዩ።","category":"ሰሜን ኣሜሪካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c6pnm06xd2do"} {"headline":"ኮሶቮ - ሰርብያ፡ ታርጋ መኪና ዘልዓሎ ምትፍናን ከይዓርግ የስግእ","content":"ብሰንኪ ቍጽሪ ሰሌዳ - ታርጋ - መኪና ሰርብያ ዝተላዕለ ምስሕሓብ ንምፍታሕ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ዘማእዘኖ ዝርርብ ድሕሪ ምፍሻሉ፡ ሕብረት ኣውሮጳን ሰርብያን ኣብ ኮሶቮ ጐነጽ ክለዓል ከም ዝኽእል ኣጠንቂቘም። ሰበስልጣን ኮሶቮ፡ ውሑዳት ብሄራት ሰርብያ፡ ነቲ ብሰርብያ ዝወጽአ ቍጽሪ ሰሌዳኦም ከረክቡ ይደልዩ። ሰርብያ ንናጽነት ኮሶቮ ኣፍልጦ ኣይትህብን እያ። ፖሊስ ኮሶቮ፡ ካብ ሎሚ ሰሉስ ጀሚሩ መለለዪ ቝጽሪ ሰርብያ ዘለዎ ታርጋ ንዝሓዙ ሰባት 154 ዶላር ክቐጽዕ እዩ። ኣሜሪካ እቲ ስጕምቲ ክድንጒ ስለ እትደሊ፡ ሰላም ንምዕቃብ ሕድገታት ክግበር ኣተሓሳሲባ። ኮሶቮ፡ ቅድሚ እቲ ኣብ 1999 ካብ ሰርብያ ንምንጻል ንናጽነት ዝተኻየደ ኲናት ዝነበረ ታርጋታት፡ ድሕሪ ሕጂ ቅኑዕ ክኸውን ከም ዘይክእል ትምጕት። ንትካላት ውሽጢ ዓዲ ሰርብያ ጥራይ ዝቕበሉ ኣብ ሰሜናዊ ኮሶቮ ዝርከቡ 50 ሽሕ ሰርብያውያን፡ ሕጂ ኣብ ፕሪስቲና ዝወሃብ ናይ ኮሶቮ ታርጋታት ክጥቀሙ ኣለዎም ትብል። ሓላፊ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል፡ እቲ ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ዝርርብ ከም ዝፈሸለ ገሊጹ። \"ንፍሽለት እቲ ሎሚ ዝተኻየደ ዝርርብን ኣብ መጻኢ ንዝፍጠር ዝዀነ ዓይነት ምጕህሃርን ዓመጽን መራሕቲ ክልቲኡ ሸነኽ ኣገዳሲ ሓላፍነት ኣለዎም” ኢሉ። ፕረዚደንት ሰርብያ ኣሌክሳንደር ቩቺች፡ እቲ ኵነታት \"ኣብ ኣፍ ደገ ጐንጺ’ዩ ዘሎ” ኢሉ። ፍሉይ ፖሊስ ኮሶቮ፡ ነቲ ዝወጽአ መቕጻዕቲ ንምትግባር ከይፍትን ድማ ኣተሓሳሲቡ። ተወለድቲ ሰርብያ ዝዀኑ ኣባላት ፖሊስ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ብብዝሒ ሓላፍነቶም ብምልቃቕ ንውሳነ ቍጽሪ ታርጋ ፕሪስቲና ተቓውሞኦም ኣስሚዖም። ፕረዚደንት ቩቺችን ቀዳማይ ሚኒስተር ኮሶቮ ኣልቢን ኩርቲን ኣብ ዙርያ እቲ ሰሌዳ መኪና ዝፈጠሮ ምስሕሓብ፡ ኣብ ብራስለስ ተዘራሪቦም’ዮም። ድሒሩ ቀዳማይ ሚኒስተር ኩርቲ ንውድቀት እቲ ዝርርብ ንሕብረት ኣውሮጳ ነቒፉ። ቦረል ብወገኑ፡ እቲ ሕብረት ኣውሮጳ ሕድገታት ክገብር ዘቕረቦ እማመ ዋላ’ኳ ሰርብያ እንተተቐበለቶ፡ መራሒ ኮሶቮ ግን ከም ዝነጸጐ ገሊጹ። ቀዳማይ ሚኒስተር ቩቺች፡ ሰርብያ ኣብ ሰሜናዊ ኮሶቮ ንዝርከቡ ሰርብያውያን ናይ ገዛእ ርእሳ ቍጽሪ ሰሌዳ መኪና ምሃብን ምሕዳስን ከም ዘይተቋርጽ ገሊጹ። ወሃቢ ቃል ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ነድ ፕራይስ፡ ክልቲኦም ወገናት፡ \"እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ድሕሪ ዝተገብረ ጻዕሪ ዝተረኽበ ሰላም ኣብ ሓደጋ ከይኣቱ ንምርግጋጽ ሕድገታት ክገብሩ ከድልዮም'ዩ፡\" ኢሉ። ኣብ ኮሶቮ፡ ሕጂ’ውን 'ኬፎር ፎርስ' ዝተባህሉ ኣስታት 3700 ዓቀብቲ ሰላም ኔቶ ተዋፊሮም ይርከቡ። ሓላፊ ኔቶ ጀንስ ስቶልተንበርግ፡ \"ሕጂ፡ ሓላፍነት ዝውሰደሉን ግብራዊ መፍትሕታት ዝመጽኣሉን ግዜ’ዩ። ወጥሪታት ምዕራግ ክውገድ ኣለዎ\" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።","category":"ሰሜን ኣሜሪካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ck7xy7lmmnvo"} {"headline":"ኣሜሪካ፡ ሓደ ሰብ ተዅሲ ከፊቱ 6 ሰባት ቀቲሉ","content":"ኣብ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣት ቨርጂንያ ኣብ እትርከብ ቼሳፔከ እትበሃል ከተማ፡ ኣብ ሓደ ዕሙር ድኳን ሓደ ሰብ ብዝኸፈቶ ኣድራጋ ተዅሲ ኣስታት 6 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ፖሊስ እታ ኸተማ ገሊጹ። ጸበጻባት ካብታ ከተማ ከም ዝሕብርዎ፡ እቲ ተዅሲ ከፊቱ ሰባት ዝቐተለ ውልቀ ሰብ ናይቲ ዎልማርት ዝተበሃለ ዓቢ ማእከል ዕዳጋ ሓላፊ መኽዘን ከም ዝዀነን ንሓያለ ሰባት ድሕሪ ምቕታል ንሱ’ውን ነብሰ ቕትለት ፈጺሙ። ምምሕዳር እታ ኣብ ምብራቕ ክፍለ ግዝኣት ገማግም ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ እትርከብ ከተማ ቼሳፔክ ብትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ “ፖሊስ ከም ዝሓበሮ ኣብ ዎልማርት ሓደ ውልቀ ሰብ ብዝኸፈቶ ተዅሲ ሰባት ሞይቶም ኣለዉ” ይብል። ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዉሱን ሓበሬታ’ዩ ተዋሂቡ ዘሎ። ወሃቢ ቃል ፖሊስ እታ ከተማ፡ “ትሕቲ ዓሰርተ ሰባት” ከምዝተቐተሉን ብዙሓት ሰባት ከምዝቘሰሉን ብምሕባር፡ መንቐሊ እቲ ብነብሰ ቕትለት ዝተዛዘመ መጥቓዕቲ ከምዘይፈለጥዎን የጻርይዎ ከምዘለዉን ሓቢሩ። ጸብጻብ ፖሊስ እቲ መጥቃዕቲ ብኣቈጻጽራ እቲ ከባቢ፡ ከባቢ ሰዓት 10:12 ድሕሪ ቐትሪ ከምዝተፈጸመ ይሕብር። ወሃቢ ቃል ፖሊስ እታ ከተማ ልዮ ኮሲንኪ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ውሽጢ ዎልማርት ከምዝተኻየደን እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ በይኑ’ዩ ነይሩ ኢሎም ከምዝግምቱን ሓቢሩ። ትካል ዎልማርት ኣብ ዝጸሓፎ ናይ ሓዘን መልእኽቲ፡ “ኣዝዩ ዘሰንብድ ፍጻመ” ብምባል ምስ ኣኽበርቲ ሕግን ጸጥታን ብሓባር ኰይኑ ይሰርሕ ምህላዉ ሓቢሩ። ሰነተር ክፍለ ግዝኣት ቨርጅንያ ሎሲ ሉካስ ብወገና፡ “ኣዝዩ ዘሰንብድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ” ብምባል ገሊጻቶ። እታ ሰነተር ኣስዒባ፡ “እዚ ኣብ ሃገርና ብብረት ዝተሰነየ ጐነጽ  መፍትሒ ከይተረኸቦ ኣይክድቅስን’የ” ኢላ። ኣብ 2019’ውን ኣብ ከተማ ኢል ፓሶ ኣብ ዝርከብ ዎልማርት ብዝተፈጸመ ተመሰሳሊ መጥቃዕቲ 23 ሰባት ከም ዝሞቱ ዝዝከር’ዩ።","category":"ሰሜን ኣሜሪካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cjm32yrdn08o"} {"headline":"ከንሳሕብ ዝጠፍአ ወተሃደር፡ ድሕሪ 72 ዓመታት ኣዕጽምቱ ተረኺቡ","content":"ኣብ ግዜ ኵናት ኮርያ ተቐቲሉ ጠፊኡ ዝተበሃለ ወተሃደር ኣሜሪካ፡ ድሕሪ 72 ዓመታት ኣዕጽምቱ ከምዝተረኸበ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ወዲ 27 ዓመት ዝነበረ ወተሃደር ኣሜሪካ፡ ቶሚ ቲ ሃንክስ ኣብ 1950ን [ኣ.ኣ] ኣብ ሰሜን ኮርያ ፍሉይ ቦታ ኣንጁ ተባሂሉ ካብ ዝጽዋዕ ከባቢ ንምዝላቕ እናፈተነ እንከሎ ከምዝተቐተለ ተገሊጹ። ምስሞተ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ኣስከሬኑ ዘይርከብ ተባሂሉ ተወሲኑ ነይሩ። ኣብ ኵናት ሰሜን ኮርያ ካብ ዝተቐተሉ እቶም 7600ን ኣበይ ከምዘለዉ ከምዘይፍለጥ ክፍሊ ምክልኻል ኣሜሪካ ገሊጹ። ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሃንክስ፡ 26 ጥቅምቲ ኣብ ጥቓ ኣንጂ ካብ እትርከብ ሩባ ቾንግችኦን ብኣንፈት ምብራቕ ከዘልቕ ክብል ከምዝተሰወረ ገሊጹ። “ኣስከሬኑ ኣብ ርእሲ ዘይምርካቡ፡ ምሩኽ ወተሃደር ኰይኑ ከምዝነበረ ዘመላኽት ነገር ድማ የለን” ክብል እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ። ሰሜን ኮርያ ኣብቲ ኵናት ናይ ዝሞቱ ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣዕጽምቲ ዝሓዙ 55 ሰናዱቕ ድሕሪ ምርካባ ግን፡ መንነት ሃንክስ ክረጋገጽ ክኢሉ። እዚ ክሰምር ዝኸኣለ ኣብ 2018 [ኣ.ኣ] ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ተራኺቡ ድሕሪ ምዝታዩ’ዩ ነይሩ። ተመራመርቲ ዓጽሚ ሃንክስ ንምፍላይ ካብ ትንታነታት ኣንትሮፖሎጅያዊ ኢስቶፕን ብተወሳኺ ወድዓዊ መረዳእታታት ከምዝተጠቐሙ ተፈሊጡ። ኣስከሬን እቲ ወተሃደር ኣርሊንግተን ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ መካነ መቓብር ከምዝዓርፍ ተሓቢሩ። ካብ 1982 [ኣ.ኣ] ጀሚሩ ኣብ ኵናት ኮርያ ናይ ዝሞቱ ልዕሊ 450 ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣዕጽምቶም ተፈልዩ ናብ ስድራኦም ተዋሂቡ ምሉእ ወተሃደራዊ ስነ ስርዓት ቀብሪ ተገይርሎም እዩ። እዚ ቁጽሪ፡ እቲ ኵናት ደው ድሕሪ ምባሉ ሰሜን ኮርያ ንኣሜሪካ ካብ ዝመለሰቶ ልዕሊ 3 ሽሕ ኣስከሬን ወተሃደራት መንነቶም ካብ ዝተፈለጠ ክልተ ሽሕ ኣሜሪካውያን ብተወሳኺ’ዩ። ብኣማኢት ዝቝጸሩ ወተሃደራት ኣሜሪካ ድማ ክሳብ ሕጂ ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ኣብ ዝብል መዝገብ ኣለዉ። ኵናት ኮርያ ኣብ ግዜ ዝሑል ኵናት ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ህይወት ብዙሓት ሰባት ዝበልዐ እዩ ነይሩ። ኣሜሪካ ኣብዚ ኵናት ኣስታት 36 ሽሕ ወተሃደራት ከምዝሞትዋ ይፍለጥ።","category":"ሰሜን ኣሜሪካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cqq6lpx42ngo"} {"headline":"ኣብ ውሽጢ ደርሆ ሽጉጥ ሓቢኡ ናብ ነፋሪት ክኣቱ ዝፈተነ ገያሻይ ተታሒዙ","content":"ኣብ ኣሜሪካ ሓደ ገያሻይ ኣብ ውሽጢ ዘይተከሸነ ስጋ ደርሆ ሽጉጥ ሓቢኡ ናብ ነፋሪት ከእቱ ኣብ ዝፈተነሉ ከም ዝተትሓዘ ተገሊጹ። ሰብ መዚ መጉዓዝያ ኣሜሪካ እቲ ተግባር ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ፎርት ላውደርደል ፍሎሪዳ ከም ዝተፈጸመ ሓቢሮም። እቲ ገያሻይ፡ ነቲ ብረት ኣብታ ደርሆ ሰጒዱ ብመሸፈኒ ጠቕሊሉዎ እኳ እንተነበረ ናብ ነፋሪት ከይኣተወ እዩ ተረኺቡ። ሰብ መዚ ድሕነት መጉዓዝያ ኣሜሪካ ኣብ ኢንስታግራም ነቲ ፍጻመ ኣመልኪቶም ከላግጹ እንከለው፡ “እቲ ውጥን ብግቡእ ኣይተኸሸነን” ኢሎም። እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ስእሊ ሰብ መዚ ጸጥታ፡ ነቲ ስጋ ደርሆ እናፈተሹ የርኢ። ነቲ ተግባር ዝፈጸሞ ሰብ ግና ዛጊት ኣይተገለጸን። ኣብ ኣሜሪካ ብረት ሒዝካ ምጋሽ ክልኩል እኳ እንተዘይኮነ፡ ገያሻይ ምስኡ ሒዝዎ ናብታ ነፋሪት ክኣቱ ግን ኣይፍቀድን። ምምሕዳር ድሕነት መጉዓዝያ ኣሜሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ እቲ ዝበዝሐ ብረታት ካብ ገያሾ ከም ዝሓዘ ሓቢሩ ነይሩ። ከባቢ 85 ሚኢታዊት ካብቲ ዝተትሓዘ ብረታት ጥይት ተጻዒኑ ዝነበረ ምንባሩን እዚ ከኣ ምስቲ መምርሒ ዝጻረር ምዃኑን ይግለጽ። ኣብ ዙርያ ዓለም ዝርከቡ ገያሾ በቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዘሎ ጥብቂ ፍተሻ ብዙሕ ግዜ ከማርሩ ይስማዕ እዩ። እንተዀነ ሰብ መዚ ድሕነት መጉዓዝያ ስርሖም ብግቡእ ብምስርሖም ብዙሕ ነገራት ክረኽቡ ኣኽኢልዎም እዩ። ገለ ካብኡ፡ ኣብ ኒው ኦርሊንስ ኣሜሪካ ኣብ ናይ ኢድ ቦርሳ ዝተረኽበ ሰንሰለታዊ መጋዝን ኣብ ኒው ዮርክ ዝተረኽበ ቦንባ ኢድ ዝጥቀስ እዩ።","category":"ሰሜን ኣሜሪካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c0d9e8x832yo"} {"headline":"ፕሮፈሰር ተኽለ ወልደሚኪኤል፡ ብዛዕባ ጸገማት ምሁራዊ ምርምር ኣብ ኤርትራ","content":"ንነዊሕ እዋን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝመሃረን ዝነብርን መምህርን ተመራማርን ፕሮፈሰር ተኽለ ወልደሚኪኤል፡  ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ መምህራን ዩኒቨርሲቲ ብሰንኪ ዘጋጠሞም ጸቕጥን ፍርሕን፡ ገጽ መንግስቲ እናረኣዩ ስለዝሰርሑ፡ ነቲ ኣብ ባይታ ኤርትራ ዘሎ ሓቂ ከጽንዑን ክመራመሩን ወይ ከኣ ብዛዕባኡ ብጽሑፍ ከቕርቡን ክምህሩን ከምዘይክእሉ ይሕብር። ምሁራን ኣብ ሕብረተሰብ ንዘጓንፍ ጸገማት ይዅን ዓወት ከንጸባርቝ ሓላፍነት’ኳ እንተለዎም ኣብ ኤርትራ ግን ዋላ እውን እቶም ንፍርሕን ጸቕጥን በዲሆም ኣብ ሓቂ ረጊጾም ንህልው ኵነታት ብነቐፌታ ክገጥምዎ ዝፍትኑ ተመራመርቲ፡ ንመንግስቲ ዘማርሩ ውሑዳት ኣይኰኑን ይብል ፕሮፈሰር ተኽለ። “ኣብ ምሉእ ዓለም፡ እንተላይ ኣብ ኤርትራ፡ ምርምር ድሙዕ ዝኸውንን ውጽኢት ዝርከቦን ብሸነኽ መንግስቲ ንምርምር ተጻዋርነትን ኣኽብሮትን ምስ ዝህሉን ተመራመርቲ ኸኣ ብዘይ ቀይዲ-መንግስቲ ከይፈርሑ ኣብ ሕብረተሰብ ምስ ዝንቀሳቐሱ’ዮም፡” ይብል ተመራማሪ ተኽለ ወልደሚኪኤል። ምሁራት ብናጽነት ክሰርሑ ዕድል እንተረኺቦም ብቝዕ ምርምራዊ ውጽኢት ይርከቦ’ሞ ከም መስትያት ኰይኑ የገልግል። ንሱ ከኣ ነቶም ሓንጸጽቲ ፖሊሲ ብብሩህን ርትዓውን ስትራተጂ ንኽሰርሑ የኽእሎም ብማለት ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገማት ይገልጽ። ተኽለ ወልደሚኪኤል ፕሮፈሰር ስነ-ማሕበረሰብን ኣህጕራዊ መጽናዕትን እዩ። “ኣብ ምምህርናን ምርምርን ዘሎኒ ተልእኾ ንተመሃሮይ ብምርምርን መጽናዕትን ህየሳዊ ኣቀራርባን (ኣብ ህልዊ ማሕበራዊ ዛዕባታት) ንኸማዕብሉ ምትብባዕ’ዩ” ይብል። ፕሮፈሰር ተኽለ ኣብ ብርክት ዝበሉ ሃገራት - ሕ.መ.ኣ፡ ሃገራት ካሪብያን፡ ሱዳን፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ - ሰሪሑ’ዩ፣ ብስደተኛታትን ዑቕበኛታትን ከኣ ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ኣካዪዱ’ዩ። ፕሮፈሰር ተኽለ፡ ኣብ ቻፕማን ዩኒቨርሲቲ (ኣብ ካሊፎርንያ - ሕ.መ.ኣ) ከም ሓላፊ ክፍሊ ሶስየሎጂ (መጽናዕቲ ማሕበረሰ) ኰይኑ ንነዊሕ እዋን ዘገልገለ፡ ቅድሚኡ’ውን ኣብ ብርክት ዝበሉ ዩኒቨርሲታት ዝመሃረ ምኵር መምህር’ዩ። በቶም ዘካየዶም ምርምራት ብርክት ዝበሉ ጽሑፋት ኣብ ዝተፈላለዩ መዛግብ ምርምር (ጆርናል) ከስፍር ዝበቕዐ፡ ከምኡ’ውን ኣሰናዳኢ ናይ ፍሉያት ኣካደምያዊ መጽሔታት (the Journal of Eastern African Studies, Africa Today Journal, The American Sociologist) ኰይኑ ኣገልጊሉ’ዩ። ፕሮፈሰር ተኽለ ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ’ውን ክደርስ በቒዑ’ዩ። ሓንቲ ካብተን ድሒሩ ዘሕተማ መጽሕፉ “ጽ’ባሕ ናጽነት ኤርትራ (Postliberation Eritrea) ዘርእስታ ኰይና፡ ምስ ካልኦት ተመራመርቲ ብጾቱ ብምዃን ኣብ 2019 ዘዳለዋ እያ። ትሕዝቶኣ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኰይኑ፡ ኣብ ድሕ-ናጽነት ዝተኸሰቱ ጸገማት ብምትኳር ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ሃገር ትጽቢታት-ህዝቢ ከም ዝተጠልሙ እትሕብር መጽናዕታዊት መጽሓፍ’ያ። ፕሮፈሰር ተኽለ ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ከባቢ ገዛ-ከኒሻ’ዩ ተወሊዱን ዓብዩን፤ ኣብ ቤት-ትምህርቲ እንዳ-ማርያም ከኣ ተማሂሩ። ኣቦኡ ኣብ መደበር ቤት-ዕዮ ነይሩዎም፣ ብጊዜ ንእስነቱ ድማ ሓሓሊፉ ንኣቦኡ ክሕግዞም ይዝከሮ። ንመደበርን ከባቢኡን ክገልጽ እንከሎ ምስ ናፍቘቱ ይነብር ከም ዘሎ ካብ ዕላሉ ብቐሊሉ ክትርድኦ ይከኣል። ነቶም ዝነበሮም ከባቢታት፡ ንኣስመራ ገጥ ኣቢሎም ብምሓዝ፡ ትንፋስ ዝሃብዋ ስፍራ ደርቢ-ሸቃላይ፡ ብሓበን’ዩ ዝገልጾ። ዕላሉ ካብ ገዛ ከኒሻ ጀሚሩ ክሳብ ሃዳሙ፡ ብዕዳጋ ዓርቢ ኣቢሉ፡ ንማይ ባውዛን፡ ቤት-ጊዮርጊስን ተር ኢሉ ይበጽሖም። ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ መለለዪ ነቝጣታት - ከም እንዳ ኢንኮደ፡ መቓብር እንዳ-ማርያም፡ ቤት-ትምህርቲ መደበር፡ እንዳ ማሕበር ክንክን ረዲኤት ቈልዑ (እንዳ ሓኪም) - ክጽብጽብ ምስምዑ ኣብ ኣእምሮ-ሰማዒ ሕልሚ-መሰል ኣሳእል’ዩ ዝስእል። ተኽለ ወዲ ዓሰርተ ክልተ ዓመት ምስ ኰነ ቤተ-ሰቡ ንገዛ-ባንዳ ገዓዙ። ሽዑ ኣብ ቤት-ጊዮርጊስ፡ እቶም ዉሩይ መም. ኣማኑኤል ሓለቓ ቤት ትምህርቲ ዝነበርሉ እዋን ምዃኑ’ዩ፡ ተመዝጊቡ ትምህርቱ ቀጸለ። ካብኡ ኸኣ ንኻልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ክከታተል ናብ ቤት ትምህርቲ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ (ቀ.ሃ.ስ) ሰገረ። ኣብ ቀሃስ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ወዲኡ፡ መርመራ መእተዊ ዩኒቨርሲቲ ተፈቲኑ ብጽቡቕ ነጥቢ ስለ ዝሓለፈ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኣተወ። ትምህርቱ ብግቡእ ወዲኡ ኸኣ ብስነ-ቝጠባ ተመረቐ። ብኣጋጣሚ፡ ኣብ 1974 ሓደ ኣሜሪካዊ፡ ስነ-ከተማ ዘጽንዕ ተመራማሪ ንኵነታት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከጽንዕ ምስ መጽአ፡ ተኽለ ምስኡ ክሰርሕ ጀመረ። እቲ መጽናዕቲ ብፎርድ-ፋውንደሽን ዝምወል ነበረ፤ ብኣጋጣሚ ኸኣ ምስቲ ኣሜሪካዊ ተመራማሪ ንኽሰርሕ ንኣሜሪካ ክግዕዝ ዕድል ረኸበ። ናብ ኣሜሪካ ምስ ገዓዘ፡ ኣብ ክሊ ትምህርቲ ኣትዩ ሓድሽ ህይወት ጀመረ። ኣብ ሰላሳ ዕድመኡ ካብ ኖርዝ-ወስተርን ዩኒቨርሲቲ (North Western University) ብመጽናዕቲ ዛዕባ ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ ጸለምቲ ስደተኛታት ተመረቐ። ፕሮፈሰር ተኽለ ብጸለምቲ ዲያስፖራ ብርክት ዝበሉ መጽናዕትታት ኣካየደ።  ባህሊ፡ ስነጽሑፍ፡ መንነት-ጸለምቲ ኣዕሚቝ ክመራመር ብምኽኣሉ፡ በቲ ኣፍልጦ’ቲ ብዙሓት ብቝዓት ተመሃሮ ዘፍረየ ተመራማሪ’ዩ። ፕሮፈሰር ተኽለ ኣብኡ ንኣርብዓ ዓመት ብምምሃር ዕዉት ህይወት ተጐናጸፈ፣ ሓዳር መስሪቱ ኸኣ ኣሰር-እግሩ ዝሰዓባ ክልተ ኣዋልድ ተዓደለ። ብ1987 ተኽለ ብዛዕባ ኤርትራ ክመራመር ጀመረ፤ ኣብ ሜዳ ወሪዱ ነቲ ምንቅስቓስ ብቐረባ ንኽርእዮ ዕድል ስለ ዝረኸበ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ብዛዕባ ኤርትራ’ውን ብርክት ዝበሉ ምርምራት ኣካየደ። ኣብታ “ጽ’ባሕ ናጽነት” ዘርእስታ መጽሓፉ ትርጕምን ኣድላይነት ነጸብራቕ ነብስና ኣብ ትሕቲ ‘ስባር-መስትያት’ ዘርእስታ ምዕራፍ ኣጸቢቝ ገሊጹዎ ዘሎ። ንምሁራን ተመራመርቲ ከም መስትያት ሕብረተሰብ ገይሩ’ዩ ዝገልጾም። ብርእይቶ ፕሮፈሰር ተኽለ፡ መንግስቲ ንምሁራን ስለ ዝነጽግ፡ ብዘይ’ቲ ነጸብራቘም ከኣ ስለ ዝሰርሕ እቶም ሽግራት ባዕሉ ይፈጥሮም ከም ዘሎ ይምጕት። እቲ ‘ስባር መስትያት’ ብዝብል ተጸውዖ ዘቕረቦ ምጕትን ዘስዕቦ ሽግርን ምስ ኣብነቱ ኣቕሪቡዎም ኣሎ። ብምኽንያት ኣብ ውሽጢ ሃገር ተጻዊዱ ዝርከብ መንከላልኦ፡ ብዙሓት መምህራን ዩኒቨርሲቲ ይዅኑ ተስፋ ዝነበሮም ተመሃሮ ካብ ኤርትራ ንኽወጹ ደፋፊእዎም’ዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ብመምህራን ዩኒቨርሲቲ ዝካየዱ ህየሳውያን መጽናዕትታት ዳርጋ የለውን ክበሃል ይከኣል። ምርምር ኣብ ኤርትራ ክድፍኣሉ ኣይከኣል’ምበር፡ ምሁራት ኤርትራውያን ኣብ ግዳም ኰይኖም ብርክት ዝበሉ ምርምራት ብዅሉ ሸነኻት ሃገር - ቍጠባዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ - ተጊሆም ካብ ምክያድ ዓዲ ኣይወዕሉን’ዮም። ንኣብነት ኵነታት ስደተኛታት ኤርትራውያን ኰነ ንክስደዱ ዝደፍእዎም ኵነታት ንምጽናዕ ጸገም የለን - ስደተኛታት ኣብ ኵሉ ተዘሪኦም ስለ ዝርከቡ። ኰይኑ ድማ እዅል መጽናዕትታት ተኻይዶምስ ብቝዓት መጻሕፍትን ሰነዳት ተዳልዮም’ዮም። መንግስቲ ግን በቶም መጽናዕትታት ተገዳስነት ስለ ዘይብሉ እቲ ሽግር መፍትሐ ከይተረኽቦ ይቕጽል ኣሎ፤ ኰይኑ ድማ ስደተኛታት ገና ንግዳም ይውሕዙ ኣለዉ። ፕሮፈሰር ተኽለ ነቶም ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሮም ኣብ ሱዳን ከርተት ዝብሉ ዘለዉ ስደተኛታት ከም ኣብነት የቕርቦም። ኤርትራ ናጽነታ ረኺባ ካብ ዝበሃል ድሮ ሰላሳን ሓደን ዓመት ሓሊፉ ክነሱ እቶም ኣብ 60’ታት፡ 70’ታት፡ 80’ታት ዝተሰደዱ ዜጋታት ንምንታይ ከም ዘይተመልሱ መልሲ ኣሎዎ። በብእዋኑ ብዛዕባ እቶም ስደተኛታት ዝተኻየዱ መጽናዕትታት ነይሮም’ዮም። መንግስቲ ኤርትራ ግን ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ኰነ ካልኦት ናይ ረዲኤት ማሕበራት ነቲ ጕዳይ ዘትዩ ክፈትሖ ኣይከኣለን። ርግጽ’ዩ፡ እቲ መጐተ ንዉሕ ኢሉ ሕልኽልኽ ዝበለ’ኳ እንተዀነ፡ እቶም ዜጋታት ኤርትራ ኣብ  ሱዳን ኣብ ካልኣይ\/ሳልሳይ ወለዶ በጺሖም ይርከቡ። ንውግእ ባድመ ዀነ ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ኵነታት’ውን ከም ኣብነት የቕርቦም’ዩ።  ኤርትራን ኢትዮጵያን ንልዕሊ ዕስራ ዓመት (ድሕሪ እቲ ዉግእ - ብ2000 ብናይ ሰላም ውዕል ኣልጀርስ ካብ ዝዳነ ጀሚሩ) ኣይሰላም ኣይኲናት ኰይኑ ኣህዛብ ክልቲአን ሃገራት ብሰንፈላል ግደ መከራን ክሳራን ገይሩወን’ዩ። መንግስታት ተሃላሊኾም ንግደ ህዝቢ ዋጋ ከይሃቡ ንነዊሕ ከርተት ኢሎም። ምሁር ተራ እንተዝህልዎ ነይሩ ዝተፈላለዩ መፍትሕታት ክእምት ምኸኣለ፤ ንሱ’ውን ኣይተገብረን። ኣብ ኤርትራ ብናይ መራሕቲ ፖለቲካ ’ምበር፡ ብመጽናዕቲ ዝተሰነየን ዝተኣታቶን መፍትሒ የለን። እቲ ስርዓት ይዅን ሕብረተሰብ ኤርትራ ነቐፌታዊ መጽናዕቲ ከም ኣንጻርነትን ከፋፋልን ስልቲ ገይሮም ስለ ዝወስድዎ ገና ግደ የብሉን። ህዝቢ በቲ መንግስቲ ዝሓንጸጾ ተቐቢሉ ንኽጓዓዝ’ምበር ንተራ ህዝቢ ዘሳትፍ ክትዕ ከም ዘይድለ፣ ብኻልእ ኣዘራርባ፡  “ነቲ ምሁር ምስ ህዝቢ ዘራኽቦ ዛዕባን ዕድላትን ኣዝዩ ጸቢብ’ዩ” ኢሉ ኣብቲ ጸብጻቡ ኣስፊርዎ ኣሎ። ፕሮፈሰር ተኽለ ብዛዕባ ሓደ ጥዕና ዘለዎ ሕብረተሰብ ክገልጽ ከሎ፡ ምሁራን፡ ሕብረተሰብ ንኽጥዒ ዝጻወትዎ ተራ ዓቢ’ዩ ይብል፣ ብቝዕ መጽናዕቲ ንክካየድ ከኣ ናጻ ሕብረተሰብ ክህሉ የድሊ፤ ምኽንያቱ ተመራመርቲ ኣብ ናጻ ሕብረተሰብ ስለ ዝሰሓሉ፡ ይብል። ቀጺሉ፡ መራሕቲ መንግስቲ ብመጽናዕትን ምርምርን ዝተሰነየ ርእይቶ ክሓቝፉ’ምበር ክነጽጉ ኣይግባእን ይብል። እቲ ስልጣን ብሒቱ ንህላዌኡ ክሕብሕብ ዝደሊ ኣካል ግን ንተመራመርቲ ከም ጸላእቲ ብምርኣይ ክሽድዶምን ከምክኖምን ኣይግባእን ክብል ርእይትኡ የቐምጥ። ስቕ ኢልካ ንመንግስቲ ምውዳስ ነቲ ስርዓት ኮነ ንህዝቢ ኣይጠቅምን እዩ ብዝብል ቃላት ይገልጾም። ናጻ ዝዀነን ነቐፌታዊ ርእይቶ ነቲ ዝጋገ ከም ፈውሲ፡ ብኻልእ ኣዘራርባ ድማ ከም መስትያት ስለ ዘገልግልዎ፡ ኣብ ኤርትራ ናጻ መጽናዕትን ምርምርን ክተኣታቶ ይግባእ ንዝብል ሓቂ የስምረሉ።","category":"ሰሜን ኣሜሪካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cq54x9e72jqo"} {"headline":"ኤርትራ ንዞባዊ ምርግጋእ ከይትዕንቅፍ ምግባር ረብሓ ኣመሪካ'ዩ'-ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ","content":"ረብሓ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብቲ ዞባ ዘይምርግጋእ ከይፍጠር ዘጠቓለለ ምዃኑ ኣመሪካ ገሊጻ። ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ናይ ፖሊሲ ሓበሬታ፡ ደሞክራስያዊ ባህሊ ኣብ ኤርትራ ከምዝህሉ ምግባር ኣካል ፖሊሲ ኣመሪካ ምዃኑ ይጠቅስ። \"ኤርትራ ንዞባዊ ምርግጋእ ከይትዕንቅፍ ምግባር ኣካል ረብሓ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ\" እዩ። \"ደሞክራስያዊ ባህሊ ንምትካል ክትግስግስ ምጽዋዕ፡ ሃይማኖታዊ ናጽነት ዝርከቦም ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፍትሑ ምግባርን\" ኣካል ፖሊሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ምዃኑ እቲ ጽሑፍ የነጽር። ሰብመዚ ኣመሪካ፡ ኤርትራ ናይ ሕልና እሱራት ከትፈትሕን፡ ኣብ 1997 ዝተነድፈ ቅዋም ክትግበርን ክጽውዑ ጸኒሖም'ዮም። ኣብታ ሃገር \"ቁጠባዊ ጽገናታትን ብልጽግናን ምድፍንፋዕ'ውን\" ረብሓ ኣመሪካ ምዃኑ ይገልጽ። \"ብጠለብ መንግስቲ ኤርትራ መሰረት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንኤርትራ እትህቦ ደገፍ የለን\" ይብል እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ዝሰፈረ ጽሑፍ። ኤርትራ ምስ ጎረባብታ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ናብ ወተሃደራዊ ረጽሚ ዘምርሐ ምስሕሓባት ከምዝጸንሓ ዝጠቅስ ሰነድ ፖሊሲ ኣመሪካ፡ ምስታ ሃገር ወተሃደራዊ ዝምድና ከምዘይብሎም የነጽር። ኤርትራ እቲ ምስ ጎረባብታ ዝነበራ ናብ ግጭት ዘምረሐ ዶባዊ ምስሕሓባት \"ብቡራኬን ቀጥታዊ ምትእትታው ዋሽንግቶን\" ዝተሳወረ'ዩ ብምባል፡ ኣመሪካ ንኤርትራ \"ጅሆ\" ክትሕዛ ትህንቅን ምንባራ ብቐጻሊ ከተማርር'ያ ጸኒሓ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ብሰንኪ ምትእትታው ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሐ፡ ንዝተወሰነ እዋን ክመሓየሽ ተስፋ ዝተገብረሉ ሓርፋፍ ዝምድና እናኸረረ ምምጽኡ ይፍለጥ። ብሰንኪ'ዚ ኣብ ሕዳር 2021፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ህግደፍን ንግዳዊ ትካላቱን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ እገዳታት ከምዘንበረ'ውን ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ጠቒሱ'ሎ። ብዘይካ'ዚ ኣብ ልዕሊ፡ ጠቕላሊ-ሓለቓ-ስታፍ ሰራዊት ኤርትራ ዝኾነ ጀነራል ፊልጶስ ወልደየውሃንስ፡ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ብ\/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ነማርያምን ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወት ወልደኪዳንን እገዳ ኣንቢራ ነይራ። ኤርትራ ብወገና፡ ኣመሪካ ኣንጻራ ክትሰርሕ ከምዝጸንሐት ብምኽሳስ፡ ኣብቲ ዞባ ዘይምርግጋእ ክፍጠር ኢድ ከምዘለዋ'ያ ትኸስስ። ተቐናቐንቲ ሓይልታት ኲናት ትግራይ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍራሞም፡ ጉዳይ ናይታ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምስላፍ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ክትዋጋእ ዝጸንሐት ኤርትራ መልሲ ዘይተረኽበሉ ሕቶታት ኣለዓዒሉ ይርከብ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ቅድሚ ሒደት መልታት፡ ድሕሪ'ቲ ስምምዕ ሰላም ብትዊተር ኣብ ዘውጽኦ ርእይቶ፡ ኣብቲ ዞባ ሰላም ክሰፍን'ዩ ክብል ኣሚቱ። \"ቀዋሚን ዘይቅልበስን ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝደልዮ እዩ፣ ይቐርብ’ውን ኣሎ። እዚ ኸኣ፡ ኣካል ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን-ኢትዮጵያን 2018 እዩ\" ይብል የማነ ገብረመስቀል። ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ዝርከቦ ምግሃስ መሰላት ፈጺሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ። ሰብመዚ ኤርትራ ግን ነቲ ክስታት ይነጽግዎ። ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ተሓለቕቲ ሰባዊ መሰላት፡ ኩሎም ተጻባእቲ ወገናት ናይቲ ኲናት ምግሃስ መሰላት ከምዝፈጸመ ይኸሱ። ንመጀመርታ እዋን ኣብ ሰነ ናይቲ ዓመት ኣብ ኣስመራ ቤት ጽሐፈት (ቆንስል) ብምኽፋት ዝጀመረ ፕሎማስያዊ ርክብ ኣመሪካ ምስ ኤርትራ ኣብ ታሕሳስ 1993 ናብ ምኽፋት ኤምባሲ ተሰጋጊሩ። እንተኾነ ግን፡ ብፍላይ ካብ 2001 ጀሚሩ እንናሓርፈፈ ዝመጸ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ብደረጃ ኣምባሳደር ዝነበረን ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ናብ ደረጃ ፈጸምቲ ጉዳያት (ቻር ዲ ኣፌርስ) ኣውሪድዎ። ጠንቂ ምሕርፋፍ ናይቲ ዝምድና፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ካብ 2001 ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ፓለቲካዊ ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዜጋታት ዝተወስደ ናይ ምእሳር ስጉምቲ፡ ምዕጻው ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታትን፡ ምድራት ሲቪላዊ መሰላትን ምግሃስ መሳባዊ መሰላትን ምዃኑ ኣመሪካ ክትገልጽ ጸኒሓ'ያ። ኣብ መስከረም 2005 ክልተ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ክሳብ ሎሚ ኣብ ቀይዲ ምህላዎም ይንገር። ኤርትራ ብወገና፡ ቅድሚ'ዚ ዘሎ ምምሕዳር ኣመሪካ ዝነበሩ ሰለስተ ምምሕዳራት ኣብ ጉዳያ ኢድ ብምእታው ኣንጻራ ይሰርሑ ከም ዝነበሩ ክትከስስ ጸኒሓ። ኣብ 2010 ድማ እቲ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ኣምባሰደር ኣመሪካ ክወጽእ ተጌሩ። ድሒሩ'ውን ናይ ቪዛ ኣገልግሎት ምሃብ ኣቋሪጽዎ ከም ዝነበረ ይዝከር። ኣብ ኤርትራ ካብ 2009 ጀሚሩ ጸኒዑ ዝጸንሐ ናይ ኣጽዋር እገዳ ክግበር ኣመሪካ ብምድጋፋ'ውን ነቲ ዝነበረ ዝምድና መሊሱ ከም ዘጋደዶ ይንገር። እቲ እገዳ ኣብ መወዳእታ 2018፡ ንስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን ስዒቡ ከምዝተሰረዘ ይዝከር። ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ መጋቢት 2017 ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ናይ ባዕላ ማዕቀብ ምንባራ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘቖጠዐ'ዩ ነይሩ።\" ንምርድኡ ዘጸግምን ዘይምኽኑይ ተወሳኺ ስጉምቲ...ዘይሃናጺ መሰረት ሕግን ሕጋውነት ዘይብሉ ኣረጊት ጸወታ'ዩ\" ብምባል'ውን ግብረመልሲ ሂቡሉ ነይሩ። ይኹን'ምበር ካብ 2017 ጀሚሩ ኣብ መንጎአን ዝነበረ ርክብ ክመሓየሽ ተራእዩ። ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ኩነተ-ኲናት ከብቅዕ ብምስምምዓ ዲፕሎማስያዊ ዝምድንአን ናብ ንቡር ናይ ምምላስ ኣንፈታት ኣርእዩ ነይሩ። ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣመሪካ ናብ ኤርትራ ምብጽሖም'ውን ነቲ ኣንፈታት ዘርኢ'ዩ ነይሩ። ኣብ ሚያዝያ 2018 ኣምባሳደር ዶናልድ ያማማቶ ድሕሪ 20 ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ኣመሪካ ኮይኑ። ኣብ ታሕሳስ ናይቲ ዓመት'ውን ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ተራኺቦም ኣብ ክልተኣዊን ዞባውን ጉዳያት ከም ዝዘተዩ ኣብ እዋኑ ብማዕከናት ዜና ተቓሊሑ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ሃገሩ ምስ ኣመሪካ ዘለዋ \"ኣብ ምትሕግጋዝ ዝተሰረተ ምውቕ ዝምድና ንምድንፋዕ ሃናጺ ጽምዶ ከተካይድ ድልውቲ ከም ዘላ\" ምግላጹ'ውን እቲ ሚኒስተር ጠቒሱ። ኣብ 2019 እውን፡ ብኣሜሪካዊት ኣደ መንበር ባይቶ ኣሜሪካ ካረን ባስ ዝተመርሑ ሓደስቲ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ፡ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ጆ ንጉሰን፡ ኣሜሪካዊት ሶማላዊት ኢልሃም ዖመርን ናብ ኤርትራ በጺሖም ነይሮም። ኣብ ግንቦት 2021 ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ትግራይ ድማ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ዝነበረ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፈልትማን ናብ ኣስመራ ብምኻድ ብዛዕባ ምትእትታው ሰራዊት ኤርትራ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተዘራሪቡ ነይሩ። እንተዀነ ጸኒሑ ምምሕዳር ባይደን፡ ምስ ቅልውላዉ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል ዝርከቦም ትካላትን ላዕለዎት ሰብ መዝን ኤርትራ እገዳ ኣንቢሩ። መንግስቲ ኤርትራን ደገፍቱን፡ ኣሜሪካ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ተጻባኢ መርገጺ ወሲዳ ክብሉ ተቓውሞኦም ክገልጹ ጸኒሖም። ሰብ መዚ ኤርትራ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ኮነ ኣህጕራዊ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንዝቐርበሎም ክስታት፡ ንምስሊ ሃገር ንምድዋን ዝቐርብ \"ውዲት'ዩ\" ክብሉ እዮም ዝነጽግዎ። ኤርትራን ኣሜሪካን፡ ኣብ ሃገረን ናይ ሓድሕደን ኣብያተ ጽሕፈት ኤምባሲታት'ኳ እንተለወን፡ ካብ ክልቲኤን ኣብ ክንዲ ብኣምባሳደራት ብፈጸምቲ ጉዳያት ዝምራሕ'ዩ።","category":"ሰሜን ኣሜሪካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw0qv8ypygdo"} {"headline":"ርክብ ባይደንን ዢን፡ ታይዋን ዓባይ ኣጀንዳ ክትኸውን'ያ","content":"ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ዝራኸቡ ዘለው መራሕቲ ኣሜሪካን ቻይናን፡ ታይዋን ቀንዲ መዘራረቢት ኣጀንዳኦም ከም እትኸውን ትጽቢት ይግበር። ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብ2020 ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንድሓር፡ ምስ ፕረዚደንት ዢ ጂንፒንግ ንፈለማ እዋን ብኣካል ክራኸብ ምዃኑ ተገሊጹ። እዚ ልዑል ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ምርኻብ፡ ዝምድና ክልቲአን ልዕለ ሓያላን ሃገራት ብፍላይ ኣብ ዝሓርፈፈሉ እዋን’ዩ ዝካየድ ዘሎ። እዚ ድማ፡ ብሰንኪ እታ ዓርሰ ምሕደራ ዝኣወጀት ታይዋንን ኣብ ኤዥያ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጽልዋ ቻይናን ክጋደድ ጸኒሑ። ኣሜሪካ ድማ፡ ቴክኖሎጂ ኮምፒዩተር ኣብ ምምስራሕ ዝውዕል ቀረባት ብምኽልኻል ኣብ ልዕሊ ቻይና ጸቕጢ ክትፈጥር ፈቲና። እዚ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ካብ ቴሌፎናት ክሳብ ናይ ኤሌክትሪክ መካይን ንዕዳጋ ዘቕርብ ጽላት ቴክኖሎጂ ጸቕጢ ብምፍጣሩ ነቲ ብሰደድ ዝምራሕ ቁጠባ ቻይና ጸልዩዎ እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋናት እናወሰኸ ዝመጽአ ወጥሪ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዓለምን መላፍንቲ ኣሜሪካ ዝዀና ከም ህንዲ፣ ጃፓንን ኣውስትራሊያን ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ነቲ ዝመጽእ ሰኑይ ኣብ ባሊ ዝካየድ ዋዕላ ሃገራት ጉጅለ 20 ብቐረባ ክከታተልኦ እየን። ፕረዚደንት ዢ፡ ዝበዝሐ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ቻይና ከሕልፎ እንከሎ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን እዩ ዳግም ናብ ሃገራት ወጻኢ ክገይሽ ጀሚሩ። ፕረዚደንት ባይደን ድማ፡ ኣብቲ ዋዕላ ክሳተፍ ምዃኑ ትማሊ ሓሙስ ኣረጋጊጹ። ንሱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ \"ብዛዕባ ታይዋን ከም እንዘራረብ ርግጸኛ እየ . . . ክንዘራረብ እንከለና ድማ  ናይ ክልቲኤን ቀይሕ መስመር እንታይ ምዃኑ ከብርሃሉ’የ . . .” ክብል ተዛሪቡ። በዚ መገዲ ድማ፡ “ኣብ ሞንጐ ሓድሕድና ግጭት ይህሉ’ዶ ኣይህሉን ከነነጽር ኢና . . . ግጭት እንተጋጢሙኸ፡ ብኸመይ ይፍታሕ” ዝብል ክውስኑ ከም ዝኽእሉ ኣአንፊቱ። ይኹን'ምበር፡ ብዛዕባ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ታይዋን ዘለዋ ፖሊሲ \"ዝኾነ መሰረታዊ ሕድገታት ክገብር\" ፍቓደኛ ከም ዘይኰነ'ውን ወሲኹ ገሊጹ። ቻይና፡ ነታ ባዕላ እትመሓደር ደሴት ከም ናይ ገዛእ ርእሳ ግዝኣት ገይራ ስለ እትርእያ፡ ምስዓባይ ቻይና ክትጥርነፍ ድልየት ኣለዎ። ታይዋን ግን ንርእሳ ፈልያ እያ እትርኢ። ካብቶም ዝሓለፉ ፕረዚደንታት ኣሜሪካ ብዝተፈለየ፡ ጆ ባይደን ወራር ቻይና እንተጋጢሙ ኣመሪካ ንታይዋን ክትከላኸለላ ምዃና ብተደጋጋሚ ገሊጹ’ዩ። ዋይት ሃውስ ግን፡ ንርኢይቶታት ባይደን ብምሽፍፋን ዋሽንግተን  ንታይዋን ኣይትከላኸለላን ግን ከኣ ነቲ ኣማራጺ ኣይትነጽጐን ብምባል \"ስትራተጂካዊ ዘይንጹርነት\" ከንጸባርቕ ጸኒሑ ኣሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፕረዚደንት ዢ፡ ንህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት [ፒኤልኤ] \"ኩሉ ዓቕሙ ኣብ ምምካት ኲናት ከተኩር . . . ናይ ምዕዋት ዓቕሚ ክሃንጽ\" ኣለዎ ምባሉ ማዕኸናት ዜና መንግስቲ እታ ሃገር ኣብዚ ሰሙን ሓቢረን። እቲ ሰራዊት፡ ቻይና ኣብ “ዘይርጉእን ዘይርጉጽን” ኩነታት ብምህላዋ፡ “ንኲናት ንምድላው ወተሃደራዊ ስልጠና ከሐይል ኣለዎ\" ምባሉ ይንገር። ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ኣሜሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ናብ ታይዋን ኣብ ዝበጽሓትሉ እዋን ኣብ ሞንጐ ክልቲአን ሃገራት ሓያል ወጥሪ ተራእዩ ነይሩ። ነዚ ስዒቡ፡ ቻይና ኣብ ጥቓ እታ ደሴት ዓብዪ ወተሃደራዊ ልምምድ ኣካይዳ እያ።","category":"ሰሜን ኣሜሪካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c51612g43kro"} {"headline":"ካንየ ዌስት ኣብ 2024 ንፕረዚደንትነት ከምዝወዳደር ኣፍሊጡ","content":"ራፐር ካንየ ዌስት ዋላ’ኳ ኣብ ቀረባ እዋን ብዙሕ ነውሪታት ዘርኣየ እንተኾነ፡ ኣብ 2024 ግን ንፕረዚደንት ኣሜሪካ ክወዳደር ከምዝሓስብ ገሊጹ'ሎ። እቲ ብሕጋዊ መንገዲ ስሙ ናብ የ ዝቐየረ ኮኾብ፡ ጎኒ ጎኒ የ 24 ዝብል ጽሑፍን ኣርማ ጎስጓሱ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣስፊሩ። ንዶናልድ ትራምፕ መወዳድርቱ ክኸውን ከምዝሓተቶ'ውን ወሲኹ ገሊጹ። ዌስት ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2020 ንፕረዚደንትነት ተወዳዲሩ እኳ እንተነበረ፡ እቲ ጎስጓስ ግን ድሩት 70 ሽሕ ድምጺ ጥራይ ብምርካብ ከምዝፈሸለ ይዝከር። ኣብዚ ዳሕረዋይ መግለጺኡ፡ ዌስት ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ኣብ ክለብ ጎልፍ ትራምፕ ማር-ኤ-ላጎ ምስ ኒክ ፉኤንተስ ዝተባህለ ፍሉጥ ጻዕዳ ሃገራዊ ተዓጂቡ ዘርኢ ቪድዮ ድሕሪ ምዝርግሑ ዝመጸ እዩ። ዌስት፡ መጻምዲ ተወዳዳሪ ክረክብ ዝሓተቶ ሕቶ፡ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ገዛእ ርእሱ ዳግመ ምርጫ ጎስጓስ ዝጀመረ ፕረዚደንት ነበር \"ኣዝዩ ክርበሽ\" ከምዝገበሮ ገሊጹ። ማር-ኤ-ላጎ ደብሪፍ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ፡ ዌስት፡ \"ትራምፕ ብመሰረቱ ኣብቲ ጠረጴዛ ከለና ክትሰዓር ኢኻ ኢሉ ክጭድር ጀሚሩ። እዚ ኣብ ታሪኽ ንዝኾነ ሰብ ሰሪሑሉ ይፈልጥ ድዩ?\" እቲ ራፐር ብርክት ዝበሉ ጎዳእቲ ክትዓት ኣብ ዘጋጥሞ ዘሎ እዋን'ዩ ጎስጓስ ጀሚሩ ዘሎ። ንሱ፡ \"ህይወት ጸዓዱ ኣገዳሲ’ዩ\" ዝብል ጭርሖ ዘለዎ ካናቴራ ተኸዲኑ ኣብ ሰሙን ፋሽን ፓሪስ ድሕሪ ምክፋሉ፡ ህቦብላ ነቐፌታ ኣበጊሱ - እዚ ሓረግ እዚ ብልዕልና ጸለምቲ ዝኣምኑ ዝተጀመረ ኮይኑ፡ ኣብ 2015 ከም ግብረ መልሲ ምንቅስቓስ ህይወት ጸለምቲ ኣገዳሲ እዩ ተጠቒሞምሉ እዮም። ድሕሪኡ ዌስት ነቐፍቱ ብሕቡእ ዕስለ ህዝቢ ኣይሁድ ይኽፈሉ ከምዘለዉ ዝገለጸ ክኸውን እንከሎ እዚ ድማ ልሙድ ትሮፒካዊ ጸረ-ሴማውነት እዩ። ብኢንተርኔትን ኣብ ቃለ መሕትት ቴለቪዥንን ጸረ-ሴማውያን ርእይቶታት ኣብ ዝቕጽለሉ ዝነበረ እዋን፡ እዚ ወዲ 45 ዓመት ራፕር ብናይ ተውህቦ ትካል ተኣልዩ እዩ። ከም ጋፕ፡ ኣዲዳስን ባለንሽያጋን ዝኣመሰሉ ኩባንያታት ፋሽን እውን ድሕሪ ደጊም ምስኡ ከምዘይሰርሑ ገሊጾም እዮም። እቲ ሙዚቀኛ ድሒሩ \"ኣብ ሓደ መዓልቲ ክልተ ቢልዮን ዶላር ከም ዝኸሰረ\" ርእይቶኡ ሂቡ ነይሩ። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ መጽሔት ሮሊንግ ስቶን፡ ዌስት \"ስዕለ-ጽዩፍ፡ ምድሃልን ሽርሒን\" ተጠቒሙ ኣብቶም ዪዚ ዝብል ምልክት ዘለዎ ጫማኡ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ኣዲዳስ \"መርዛም ሃዋህው\" ከም ዝፈጠረ ገሊጹ። እቲ ኩባንያ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዛዕባ እቲ ክሲ ናጻ መርመራ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ። ዌስት ኣብ 2020 ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ከሎ፡ ጎስጓሱ ኣዝዪ ደንጉዩ ስለዘፍለጠ ብውሑዱ ኣብ ሽዱሽተ ግዝኣታት ኣብ ድምጺ ወረቐት ኣይቀረበን። እናነብዐ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ዝተዛረበሉ ሓደ ሰልፊ ጥራይ እዩ ኣካይዱ፡ ንኽልተ ናይ ቴሌቪዥን መወዓውዒታት ድማ መዊሉ። ኣብ መወዳእታ ኣብ 12 ግዝኣታት ጥራይ ከም ሕጹይ ተዘርዚሩ ነይሩ።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4n666z4klpo"} {"headline":"ፍሉጣት ኤርትራውያን ምሁራት ዝተሳተፍዎ ዓውደ-መጽናዕቲ 'ምህናጽ ደሞክራሲ' ኣብ ለንደን ይካየድ ኣሎ","content":"ፍሉጣት ኤርትራውያን ተመራመርቲን ምሁራንን ኪኢላታትን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ \"ምህናጽ ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ\" ኣብ ብሪጣንያ ይካየድ ኣሎ። ኣብቲ ብሰሉስ ኣብ ከተማ ለንደን ዝጀመረ ኣኼባ፡ ዝተፈላለዩ ወረቓቕቲን መደረታታትን ቀሪቦም። ወጻእተኛታት ምሁራትን ኪኢላታትን'ውን ኣብቲ ንሳልሳይ ግዜ ዝካየድ ዘሎዋዕላ ይሳተፉ ኣለዉ። እቶም ምሁራት ንኣካይዳ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ዝምራሕ መንግስቲ ዝቃወሙ ኮይኖም፡ ለውጢ ክህሉ ዝጠልቡ'ዮም። ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ኤርትራን ቁጠባዊ ኩነታትን ኣንፈታትን ዝድህስሱ መግለጺታት ቀሪቦም። እቲ ዓውደ መጽናዕቲ በቲ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ 'ፎካስ ኤርትራ' ዝተባህለ ትካል ተሓላቒ መሰላት ዝተወደበ'ዩ። ኣቦመንበር ‘ፎካስ ኤርትራ’ ኣቶ ሃብተ ሓጎስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ንሳልሳይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ወጻእተኛታት ዝርከብዎም ሓየለ ኤርትራውያን ምሁራት ብማንዛን ብኣካልን ዝተሳተፍዎ ምዃኑ ገሊጹ። “ዕላማናይቲ ኣኼባ ብኸመይ ሃገርና ኤርትራ ካብ ምልኪ ናብ ደሞክራሲ ትሰጋገርን፡ እቲ ዝህሉ መንግስቲ ብኸመይ ነቶም ከጋጥሙ ዝኽእሉ ብድሆታትን ጠለባትን ህዝቢ ይፈትሕ ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ንምልዛብ’ዩ” ይብል ኣቶ ሃበተ። \"[ፕረዚደንት ኤርትራ] ኢሳያይስ ካብ ስልጣን ወሪዱ ሓድሽ መንግስቲ ክቐውም ዝበዝሐ ኤርትራዊ ዝምነ እዩ\" ዝብል ኣቶ ሃብተ፡ ንድሕሪ ለውጢ ዝህሉ መሰጋገሪ እዋን ምድላው ከምዘድሊ ይገልጽ። ሓደካብቶም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ካብ 1991 ጀሚሩ ነታ ሃገር ብዘይ ቅዋምን ሃገራዊ ምርጫን ይመርሓ ምህላዉ ይፍለጥ። ኣብቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ብማንዛ ዝተሳተፈ ላዕለዋይ ብዓልስልጣን ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ኣምባሳደር ሃይለ መንቀርዮስ ኣብ ዘቕረቦ መግለጺ፡ ኤርትራ ካብ ዓለም ምንጻላ ንረብሓኣ ከምዘይኮነ ብምግላጽ ለውጢ ከምዘድልዮ ተዛሪቡ። ኣብ 2001 ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ፡ ሓደ ካብቶም ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ንኣካይዳ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምቅዋም ለውጢ ክግበር ዝጠለቡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን'ዩ። ሃይለ መንቀርዮስ ካብ ናይ ኣምባሳደርነት መዝነቱ ድሕሪ ምውራዱ፡ ፍሉይ ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብዞባ ዓበይቲ ቀላያት ኣፍሪቃ፡ ከምኡ'ውን ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን ኮይኑ፡ ኣብ ምፈታሕ ግጭታት ዓቢ ተራ ዝነበሮ’ዩ። ተሓጋጋዚ ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ብምዃን'ውን ኣብቲ ውድብ ዝለዓለ ስልጣን ኣገልጊሉ ነይሩ። ኤርትራ ዘጋጠማ \"ታሪኻዊ\" ዓለምለኻዊ ተነጽሎ፡ ንኣተሓሳስባ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምዝገዝኦ ዝገልጽ ኣምባሳደር ሃይለ፡ ሕጂ'ውን ኩነታት ኤርትራ ሸለል ከምዝተባህለ ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ተዛሪቡ። ኤርትራ ዝኣተወቶም ዶባዊ ግጭታት ብዝርርብ ክፍታሕ ዝነበሮን \"ዘይምኽኑይን\" ዝብል ኣምባሳደር ሃይለ፡ ሕጂ'ውን እቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጠንቂ ኲናት ዝነበረ ዶባዊ ምስሕሓብ በቲ ዝተወሰነሉ ኣብ ባይታ ክሕንጸጽ ኣለዎ ይብል። ኣብ 1992 ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ጉዳይ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ሳልሳይ ወገን ብዘለዎ ኣገባብ ክፍታሕ ንፕረዚደንት ኢሳይያስን ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ዝነበረ መለስ ዜናውን ዘቕረበሎም ምኽሪ ንዝነበሮም ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን \"ሕጽኖት\" ከይዘርገሎም ብምስጋእ ከምዝነጸግዎ ይገልጽ። ‘ማሕበረሰብ ዓለም ንኩነታት ኤርትራ ክርዳእን፡ ዶባት ክሕንጸጽ ክንጉስጉስ ኣለና’ ክብል’ውን ተማሕጺኑ። እታ ንዓመታት ኣብ ባዕላውን ግዱድን ዓለምለኻዊ ተነጽሎ ኣትያ ዝነበረት ኤርትራ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ 2018 ምስ ኢትዮጵያ ዝፈረመቶ ስምምዕ ሰላም ኣንፈታት ምኽፋት ኣርእያ ነይራ'ያ። እንተኾነ ግን፡ ሕጂ'ውን ምስቲ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝገበረቶ ምትእትታው ዓለምለኻዊ ተነጽሎ ከጋጥማ ጀሚሩ'ሎ። ሰብመዚ መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ እቲ ነቐፌታ ንምስሊ ኤርትራ ንምድዋን ብምዕራባውያን ሃገራት ዝተኣልመ ሽርሒ'ዩ\" ብምባል ይገልጽዎ። ዓውደ-መጽናዕቲ ለንደን፡ ንጉዳያት ማሕበረ-ቁጠባዊ ኩነታት ናይታ ሓንቲ ካብ ድኻታት ሃገራት ዝኾነት ኤርትራ’ውን ዝዳህሰሰ’ዩ። ኩነታት ቁጠባ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት እናንቆልቆለ ክኸይድ ምጽንሑ ይፍለጥ። ዋላ'ኳ መንግስቲ ኤርትራ ጠንቂ ምድኻም ቁጠባ፡ እገዳታት ምዕራባውያን ሃገራት ምዃኑ እንተመጎተ፡ ኪኢላታት ግን ኣተሓሕዛ መንግስቲ ቀንዲ ምኽንያት ምዃኑ ይዛረቡ። ዶ\/ር መብራህቱ ኣቶወብርሃን ኣብ ዘቕረቦ ንቁጠባ ዝምልከት መጽናዕታዊ መግለጺ፡ ዝሰፍሐ ክፋል ቁጠባ ከምዝተዳኸመን፡ ኣብዚ እዋንእ’ዚ ቀንዲ መትንታት ቁጠባዊ እቶት ዕደናን ካብ ደገ ዝስደድ ገንዘብ (ረሚታንስ) ምዃኖም ኣብሪሁ። ኤርትራ ዋላ’ኳ ከም ሃብቲ ዓሳ ብባህርያዊ ጸጋታት ዝተዓደለት እንተኾነት፡ ንምምዕባሎም ዝተኻየደ ፈተነታት ከምዘይትዓወተ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ባዕሉ’ውን ክእመነሉ ዝጸንሐ ጉዳይ’ዩ። ካብ ብምልካዊ ናብ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ኣብ እትሰጋገረሉ እዋን፡ ንዝተዳኸመ ማሕበረ-ቁጠባዊ ኩነታታ ንምሕዋይ ልዕሊ ክልተ ቢልዮን ዶላር ከምዘድሊ’ዩ ዶ\/ርመብራህቱ ዝእምት። እቲ ምልካዊ ስርዓት ንውሽጣዊ ወፍሪ ምድኻሙን፡ ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰብ እታ ሃገር ኣብ ግዱድን ደረት-ኣልቦን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ውትህድርናን ምውፋሩ፡ ነታ ሃገር ካብቲ ክትበጽሖ እትኽእል ደረጃ ከምዝሓረማ'ዮም ዝነቕፉ። ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን፡ ካብቲ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምህዳም ናብ ስደት ክውሕዙምጽንሖም ይፍለጥ። ፕሮፌሰር ኪዳነ መንግስትኣብን ዶ\/ር ኣማኑኤል ምሕረትኣብን ፕሮፌሰር መንግስትኣብ ተስፋዮውሃንስን ብወገኖም፡ ኣብ መወዳእታ ኤርትራ ምጥያስ ናይቶም ኣኽቲታቶም ዘላ ወተሃደራት ከምዘድልያን ብኸመይ ክፍጸም ከምዘለዎን ተመክሮታቶምን ሓሳባቶምን ኣካፊሎም። ንውሳነታት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ክከታተልን ክቆጻጸርን ዝኽእል ዝነበረ መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ምፍራሱን ናጻ ፕረስ ምእጋዱን፡ ብዓቢኡ'ውን ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም ዘይምትግባሩን ናይ ምሕደራ ቅልውላው ከምዘስዓበ'ዮም እቶም ኪኢላታት ዝጠቕሱ። እዞም ብዙሕ መጽናዕታዊ መጽሓፍቲ ዝደረሱን ኣብ ፍሉጣት ምዕራባውያን ትካላት ትምህርቲ ዝሰርሑ ምሁራትን ተሓለቕትን፡ ብዛዕባ ዝሓልምዋ ደሞክራስያዊት ኤርትራ'ኳ ሰፊሕ ትንታነ እንተሃቡ፡ እቲ ዝምነይዎ ለውጢ መዓስን ብኸመይን ክመጽእ ከምዘለዎ ግን ብቐሊሉ ክምልስዎ ዘይክእሉ ብድሆ ኮይኑ ይርከብ። ሰብመዚ መንግስቲ ኤርትራ ኣብታ ሃገር ግዱድ ምስዋርን ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ዝርከብዎ ከቢድን ሰፊሕን ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ከምዝፍጽሙ ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ተሓለቕቲ መሰላት ይገልጹ። እቲ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ኣብ ዘካይዶ ምይይጥ ፍትሒ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዝነግሰሉ ኩነታት ክዝቲ ምዃኑ ኣካየድቲ ሓቢሮም። ለንደን፡ ንጉዳያት ማሕበረ-ቁጠባዊ ኩነታት ናይታ ሓንቲ ካብ ድኻታት ሃገራት ዝኾነት ኤርትራ’ውን ዝዳህሰሰ’ዩ።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c6p9kqnn74xo"} {"headline":"ንኣምላኽ ናብ መንግስቲ ኣሜሪካ ከእትውዎ ዝጽዕሩ ዘለዉ ስለምንታይ’ዩ?","content":"ኣብ ኣሜሪካ፡ ሓደስቲ መስመራት ሃይማኖታዊ ተጋድሎ ይሰምሩ ኣለዉ - እዚ የማናዊ ክርስትያናዊ ምንቅስቓስ፡ ፖለቲካዊ ሓይሊ ተጠቒሙ ከም መለኮታዊ ተልእኾኡ ዝርእዮም እምነታትን መልእኽታትን ንምዝርጋሕ ኣብ ዝጽዕረሉ ዘሎ እዋን እዩ። ክርስትያናዊ ሃገርነት እንታይ እዩ? ኣብዚ ሕጂ እዋን’ከ ስለ ምንታይ ይስስን ኣሎ? ተመኵሮ ኣምላኽ ዝበሃጉን ካብ ኣጋንንቶም ነጻ ክወጹ ዝናፍቝን ኣሽሓት ሰባት ኣገልግሎት ቅዳሴ ድሕነት ክረኽቡ ኣብ ሓደ ዓቢ ዳስ ተኣኪቦም። ገሊኦም ኣብ መሬት ወዲቘም ተወዝ ኣይብሉን፣ ገሊኦም ድማ እቲ ፓስተር ነቲ ጸሊም መንፈሶም ብስም እየሱስ ክወጹ ክእዝዝ ከሎ ኣውያት የስምዑ። ገሊኦም እውን እፎይታን ምፍታሕን ዝረኸቡ ብዝመስል ንሓድሕዶም ተተሓሒዞም። ብድሕሪኡ፡ ኣስታት 20 ዝዀኑ ሰባት ኣብ ማይ ዝመልአ መስተይ ማይ እንስሳታት ተጠሚቘም። እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣብ ጥቓ ናሽቪል ተነሲ ኣብ እትርከብ ብፓስተር ግሬግ ሎክ እትምራሕ ግሎባል ቪዥን ቤተክርስትያን እዩ። ንሱ፡ ኣብ ኣሜሪካ ንነዊሕ እዋን ዝነበረ ትውፊት ጴንጠቆስጠ ከተንስእ ዝጽዕር ዘሎ ማራኺን ኣካታዕን ሰብ እዩ፤ እዚ ድማ ንዕብየት ሓድሽ ክርስትያናዊ መሰል ህያው ዝገብር ዘሎ ኣፖካሊፕቲካዊ መንፈስ እዩ። እግዚኣብሄርን ሃገርን ካብቶም ንፖለቲካ ኣሜሪካ ክጸለዉ ዝጸንሑ ሓሳባት እዮም። ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ዓቃባውያን ክርስትያናት ብቍጽሪ ህዝቢን ባህላውን ለውጢታት ይብለጹ ከም ዘለዉ ይስምዖም ስለ ዘሎ፡ እታ ሃገር ኣብ ልዑል ዋሕዚ ትርከብ። እዚ ድማ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ፡ መንግስቲ ኣታሊሉና ዝብል ነቐፌታ'ውን ዝደረኾ እዩ። \"ኣብ መንጎ ኣይሁድ-ክርስትያናዊ ክብርታት ዘለዎ ኣይሁድ-ክርስትያን ህዝቢ ክንነብር ንደሊ\" ይብል 'ኣምላኽ ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ክኣቱ ይግባእ' ኢሉ ዝሰብኽ ኬን ፒተርስ ዝተባህለ ፓስተር። እዚ ኣንጻር ለውጢ ሞራላዊ ክብርታት ዝግበር ቃልሲ ግን፡ ከም ውግእ ኣንጻር እቲ ንኣጋንንቲ ፖለቲካዊ ተቓወምቲ ዝገብር ክፍኣት ተባሂሉ ይቕረጽ ኣሎ፡ ይብል ፕረዚደንት ትካል ምርምር ህዝባዊ ሃይማኖት (PRRI) ሮበርት ጆንስ። እዚ፡ ንምድምማጽ ቦታ ኣብ ዘይብሉ ኵነታት፡ ንዲሞክራሲ መሰረታዊ ሓደጋ ከም ዘስዕብ ይኣምን። መብዛሕትኦም ኣሜሪካውያን፡ ክሳዕ ቀረባ እዋን ዝርግሐን ሓይልን ናይዚ ሓያል ክርስትና ኣይተረድኦምን ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ህንጻ ካፒቶል መጥቃዕቲ ክፍጸም እንከሎ ግን ተጋሂዱ። መረጻ 2020 ዶናልድ ትራምፕ [ድምጺ] ተሰሪቝ ብዝብል፡ ናዕበኛታት መስቀልን ክርስትያናዊ ባንዴራን ተሰኪሞም ብሓባር ክጽልዩ ምርኣይ፡ ኣብ የማን ክሳብ ክንደይ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን መንነታት ክወሃሃዱ ከም ዝጀመሩ ኣቃሊዑ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ካፒቶል ፓስተራት እውን ዝተሳተፉ ክዀኑ እንከለዉ፡ ገሊኦም መልእኽቲ ይሰብኩ ነይሮም። ኬን ፒተርስ ሓደ ካብኣቶም እዩ። ነቲ ዓመጽ ኮኒንዎ'ኳ እንተኾነ፡ ነቲ ከም ሃገራዊ ተልእኾ ዝርእዮ ግን ክሳዕ ሕጂ ይድግፎ እዩ። ንሱ፡ ኣምላኽ \"ንዛ ሃገር ፍሉይ መደብ ኣለዎ\" ይብል፡ እዚ ድማ ብሰንኪ ስዕረት ትራምፕ ኣብ ሓደጋ ዝወደቐ ኰይኑ ከም ዝተሰምዖ ይገልጽ። ናይ ፒተርስ ሓርበኛ ቤተክርስትያን፡ ሓንቲ ካብቶም ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎን ነታ ሃገር ናብ ኣምላኽ ክንመልሳ ንደሊ ኢና ዝብሉን ርእሰ-ምትእስሳር ዘይብሎም ጀመርቲ ጉባኤታት እያ። ፍልሰት ኣብ ሓደጋ ዘውደቘም ኮይኑ ይስምዖም፤ ተቐባልነት ዝተፈላለዩ ጾታዊ መንነታትን ጾታዊ ዝንባለታትን እናወሰኸ ምምጽኡ ብመጽሓፍ ቅዱስ ቅቡል ኣይኮነን ኢሎም ይኣምኑ። ፒተርስ ካብ ተሳተፍቲ ስብከቱ ንዝመጹ ፖለቲካዊ ሕጹያት ይድግፍ፤ እዚ ድማ ኣብ መንጎ ቤተክርስትያንን መንግስትን ዘሎ መስመራት ዘደብዝዝ እዩ። \"እግዚኣብሄር ንሮይ ኣንጻር ዋይድ (ንመሰል ምንጻል ጥንሲ) ክግልብጦ እንተኽኢሉ . . . ክገብሮ ዘይክእሎ ነገር የለን\" ክብል ኣብ ቀረባ እዋን ምዝዛም መሰላት ምንጻል ጥንሲ ተግባር ኣምላኽ እዩ ኢሎም ንዘብዕሉ ዝነበሩ ጉባኤኡ ተዛሪቡ። መንግስቲ መርዓ ሕደ-ጾታ ክእግድ ዝደሊ ፒተርስ፡ \"ሃገርና ብዝተኻእለ መጠን ክርስትያን ክትከውን ናይ መወዳእታ ጻዕሪ ይገብር ኣለኹ\" ይብል። ፕረዚደንት ትካል ምርምር ህዝባዊ ሃይማኖት ሮበርት ጆንስ፡ እዚ እታ ሃገር ብባህሊ ጸጋማውያን ትዕብለል ኣላ ካብ ዝብል ፍርሒ ኣብ መሰረት ክርስትያናዊ ሃገራውነት ዝተሃንጸ ምዃኑ ይዛረብ። በዚ መሰረት፡ ኣሜሪካ ከም ክርስትያናዊት ሃገር እያ ተመስሪታ፡ መንግስቲ ድማ ክርስትያናዊት ሃገር ኮይና ክትቅጽል ክገብር ኣለዎ ዝብል እምነት እዩ። ንሱ ዘካየዶ ዳህሳስ ከም ዘመልክቶ፡ ኣስታት ሓደ ሲሶ ኣሜሪካውያንን ፍርቂ ሪፓብሊካንን፡ ኣሜሪካ ንኣውሮጳውያን ክርስትያናት \"መብጽዓ መሬት\" ክትከውን ብኣምላኽ ከም ዝተነድፈት ይገልጹ። \"ስለዚ ኣብ ኣሜሪካ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ሃገራውነት ክዛረብ ከለኹ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ናይ ጸዓዱ ክርስትያናዊ ሃገራውነት እየ ዝዛረብ\" ይብል። ወንጌላውያን ትዅረቶም ኣብ ምንጻል ጥንሲ ብምግባር፡ ተኸታተልቲ ሪፓብሊካን ፕረዚደንታት ንኽምረጹ ሓጊዞም እዮም። እዚ ድማ፡ ነቲ ኣብ 2016 ዝተመርጸ፡ ዋላ'ኳ ኣብ ሞራላዊ ባህርያቱ ሰፊሕ ነቐፌታ እንተሃለዎ፡ ንመሰል ክርስትና ዝጣበቕ ዶናልድ ትራምፕ ዘጠቓልል እዩ። ሕጂ ብዛዕባ ከምዚ ዓይነት ክርስትያናዊ ፖለቲካዊ ንጥፈት ዝተፈልየ ነገር እንተሃልዩ፡ እታ ሃገር ድሕሪ ሕጂ ዝበዝሑ ጸዓዱን ክርስትያንን ዝነብሩላ ዘይምዃና እዩ ዝብል ጆንስ፡ ኣብ እዋን እቲ ፈላማይ ኣፍሪቃዊ-ኣሜሪካዊ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ፡ እቶም ውሑድ ቍጽሪ ዘለዎም ህዝቢታት ትኹረት ክረኽቡ ከም ዝጀመሩ የዘኻኽር። ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ተመሳሳሊ ጾታ ኣብ ዝግበር መውስቦ ዝነበረ ኣረኣእያ ተቐይሩ፤ ኣብ 2008 መብዛሕትኦም ተቓወምቲ ዝነበሩ ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ዝበዝሑ ደገፍቲ ዝዀኑሉ ሱር በተኻዊ ለውጢ ተራእዩ እዩ። \"እቲ ስግኣት - ጸዓዱ ክርስትያናት ድሕሪ ደጊም ብማሕበራዊ፡ ብባህላዊ፡ ብፖለቲካዊ መዳይ ሓይሊ ቁጽጽር ከምዘይብሎም ዘይምፍላጦም - ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ብገለ መልክዑ ብግሁድ ንርእዮ ዘለና እመስለኒ\" ይብል ጆንስ። ብዙሓት ነቲ ክርስትያናዊ ሃገራዊ ስያመ ከም ጸጋማዊ ጸለመ ይነጽግዎ። ከም ክልተ ኣኽረርቲ ሪፓብሊካንን መሓዙት ትራምፕን ዝዀኑ ማርጆሪ ቴይለር ግሪንን ሎረን ቦበርትን ዝኣመሰሉ ውሑዳት የማናውያን ፖለቲከኛታት ግን ነቲ ቅዱስ ስነ-ቓላታ ተቐቢሎምዎ ኣለዉ። \"ሰልፊ ናይቲ ሃገራውነት ክንከውን ኣለና፣ ክርስትያን ሃገራውያን ክንከውን ይግባእ\" ትብል ማርጆሪ ቴይለር ግሪን። ኣብ ኢንተርነት ድማ፡ ኣኽረርቲ ዝያዳ ተቐቢሎምዎ ኣለዉ። \"ንሕና ክርስትያን ጣሊባን ኢና\" ይብል ብጸዓዱ ሃገራዊነት ዝኣምን ቪንሰንት ጀምስ ፎክስ ድሕሪ ምቐያር መሰላት ኣብ ዝዘርገሖ ዌብካስት (ብኢንተርኔት ብድምጺ ዝዝርጋሕ መደብ)። እቲ ‘ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘሎ ጨቋኒ፡ ምልካዊ፡ ሃይማኖታዊ መንግስታት ኣብ ኣሜሪካ ክፍጠር ኣይክእልን'ዩ’ ዝብል ጽውጽዋይ \"ክውን ክሳዕ ዝኸውን ድማ ደው ኣይንብልን ኢና።” ኬን ፒተርስ፡ ክርስትያናት ጽንኩር ፖለቲካዊ መርገጺ ክሕዙ ዝገበሮ ዘሎ ጻውዒት ዝስማዕ ዘሎ ይመስል፣ ሃገራውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ናብ ሓያሎ ቦታታት ይሰፍሓ ኣለዋ። በቲ ኣብ ልዕሊ ዕጽዋ ኮቪድ ዝግበር ዝነበረ ተቓውሞ ዝተደፋፍአ ዓርኩ ግሬግ ሎክ፡ መንግስቲ ኣብያተ ክርስትያናት ክዕጸዋ ብምግዳዱ ዝተቘጥዑ ሰዓብቲ ኣፍርዩ እዩ። ንሱ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ‘እምነት፡ ስድራቤትን ፖለቲካን’ ዝብል ዌብካስት ዝቐርጸሉ እዚ ናይ ገዛእ ርእሱ ስቱድዮ ኣለዎ። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ኩባንያ ሚድያ ኣቝሙ’ሎ። ኣብ ምሸት በዓል ሃሎዊን፡ ካቶሊካዊ መቍጸርያ ጸሎትን መጻሕፍቲ ሃሪ ፖተርን ሓዊሱ \"ናይ ጥንቆላ ኣቝሑት\" ኣቃጺሉ። ኣብ ሓደ ብዙሕ ዝተረኣየሉ ቪድዮ ስብከት፡ ንኣባላት ጉባኤኡ፡ ክርስትያን ክዀኑን ንዲሞክራት ክመርጹን ከምዘይክእሉ ብምንጋር፡ ንዲሞክራትስ \"ኣምላኽ ዝኸሓዱ ኣጋንንቲ\" ክብል ጸዊዕዎም። ንኣሜሪካውያን ብጾቱ ከምኡ ብምባል ዓመጽ ከለዓዕል ዝኽእል ሓደጋ የብሉን ድዩ ተባሂሉ ብጸቐጢ ክሕትት እንከሎ፡ ንሱ ናቱ ሓላፍነቱ ከምዘይኮነ ገሊጹ። \"ዓመጽ ኣይኮንኩን ዘለዓዕል ዘለኹ። መጽሓፍ ቅዱስ እየ ዝሰብኽ ዘለኹ።\" ካልእ ኬቪን ሪግስ ዝተበሃለ ፓስተር ግን ኣንፈት እታ ቤተክርስትያን ክከታተል ጸኒሑ እዩ። ዓቃባዊ ወንጌላዊ ኰይኑ ዝዓበየ ኬቪን፡ ፓስተር ሜጋ ቤተክርስትያን ናይ ምዃን ሕልሚ ነይርዎ። ድሕሪኡ፡ ምስ ኣህጉራውያንን ኣብ ውሽጢ ከተማን ዝርከቡ ተማሃሮ ምርኻቡ፡ ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ማሕበራዊ ፍትሒ ዘለዎ ሓልዮት ብዝያዳ ብንጹር ክርኢ ሓጊዝዎ። ሕጂ ኣብ ሓደ ካብ ናሽቪል ንደቡብ ሸነኽ ኣብ ዝርከብ ፍራንክሊን ምስ ዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒ ገለልተኛ ማሕበረሰብ ይሰርሕ ኣሎ። ንሱ፡ ኣንጻር ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ ወይ ሃይማኖታዊ መሰል ብምዝራቦም ካብ ኣብያተ ክርስትያናቶም ዝተባረሩ ኣዕሩኽ ከም ዘለዉዎ ይዛረብ፡ \"ኣብታ ቤተክርስትያን [ቅድሚ ሕጂ] ዘይረኣኹዎ ምፍልላይ ኣሎ\" ይብል።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/czkdzj94m08o"} {"headline":"ትራምፕ፡ ፕረዚደንታዊ ውድድር 2024 ብሽዱሽተ ምኽንያታት ክኸብዶ እዩ","content":"ዶናልድ ትራምፕ ንሳልሳይ ግዜ ተኸታታሊ ፕረዚደንታዊ መረጻ ከምዝወዳደር ኣፍሊጡ። እዚ፡ ሓደ መራሒ ኣሜሪካ ነበር ኣብ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ እንደገና ክወዳደር ሳሕቲ ዝርአ እዩ። ሓገዝቲ እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ መስርሕ ጐስጓስ ካብቲ ኣብ 2020 ዝነበሮ ዝያዳ ነቲ ኣብ 2016 ዝነበረ ክመስል እዩ ከምዝበሉ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብ 2016፡ ሚስተር ትራምፕ መጀመርታ ንመወዳድርቱ ሪፓብሊካን ስዒሩ፡ ድሕሪኡ ነታ ንሳልሳይ ተኸታታሊ ግዜ ንውድባ ዋይት ሃውስ ክተዐውት ​​እትደሊ ዝነበረት ዲሞክራት ሂላሪ ክሊንተን ብጸቢብ ውጽኢት ስዒርዋ እዩ። ዘየተኣማምን ዓወት ይኵን እምበር፡ ሚስተር ትራምፕ ከም ሕጹይ ዘለዎ ዘይከሓድ ብቕዓት ዘርኢ እዩ። ንሱ፡ ኣየኖት ጉዳያት ንዓቃባውያን ኣገደስቲ ከምዝዀኑ መዳርግቲ ዘይብሉ ስምዒት ኣለዎ። እቲ ዘይግመትን ዘቃጽልን ኣዘራርባኡ ንሽፋን ዜና ክድርኽን መወዳድርቱ ትዅረት ከይረኽቡ ክገብርን ይኽእል። ትራምፕ እሙናት ደገፍቲ ኣለውዎ። ብዙሕ ዘይሳተፉ ኣሜሪካውያን’ውን ንኽመርጹ ክድርኾም ይኽእል እዩ። ንኣርባዕተ ዓመት ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብዙሓት ካብቶም ደገፍቱ ሕጂ’ውን ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ሪፓብሊካን ስልጣን ኣለዎም። ከምኡ ኰይኑ እውን፡ እቲ ሒዝዎ ዘሎ ዕማም ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን እዩ ዝብል ግምታት ኣሎ። ካብቶም ምኽንያታት እቶም ሽዱሽተ እዞም ዝስዕቡ እዮም፤ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ትራምፕ ባዶ ፖለቲካዊ ቀመር እዩ ነይሩ። ከም በዓል ስልጣን ተመኵሮ ስለዘይነበሮ፡ ሰፊሕ መብጽዓታት ክኣቱ እንከሎ ነቐፍቲ ሕሉፍ ጉድለታትን ውድቀታትን ከመዛዝኑ ኣይክኣሉን እዮም ነይሮም። ሕጂ ግን ከምኡ ኣይኮነን። ትራምፕ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓሉ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ምቕናስ ግብሪን ምምሕያሽ ገበናዊ ፍትሕን ዝኣመሰሉ ገለ ፍሉጣት ናይ ፖሊሲ ዓወታት ኣመዝጊቡ እዩ። ይዅን እምበር ገለ ጐሊሖም ዝረኣዩ ውድቀታት እውን ነይሮም። ሪፓብሊካን፡ ንዲሞክራሲያዊ ምምሕያሻት ክንክን ጥዕና ክስርዝ ዘይምኽኣሉን ብተደጋጋሚ ዝኣተዎም መብጽዓታት ወፍሪ ትሕተ ቅርጺ ፍረ ዘይምርካቦምን ክዝክሩ እዮም። ኣብ ልዕሊ 'ዚ ትራምፕ፡ ኣብ ጉዳይ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝነበሮ ኣተሓሕዛ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት መጥቃዕቲ ከስዕበሉ ይኽእል እዩ። ዲሞክራትስ፡ ንነዊሕ እዋን ንዝሃቦ ግብረ መልሲ እኹል ኣይኮነን ክብሉ ይነቕፍዎ እኳ እንተነበሩ፡ ኣብ የማናውያን ግን ካብ ዓቐን ንላዕሊ ንጻዕርታት መንግስቲ ከምዝደገፈ ዝኣምኑ ኣለዉ። ትራምፕ ከም ፕረዚደንት ኣብ ዝነበሮ ፖሊሲ ጥራይ ተመስሪቱ ኣይኮነን ዝወዳደር። ኣገባብ ምሕደራ መወዳእታ ፕረዚደንትነቱ፡ ከምኡ’ውን ኣብቲ ብ 6 ጥሪ ኣብ ልዕሊ ካፒቶል ኣሜሪካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝነበሮ ተራ ክከላኸል ክግደድ እዩ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ ደገፍቱ ንካፒቶል ኣብ ዝዘመቱሉን ነቲ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን ንግዚኡ ደው ከብሉን ከለዉ፡ ኣብ ማእከል እቲ ዘንብዕ ጋዝ ባነራት ትራምፕ እናወዛወዙ ዝረኣዩ ምስልታት፡ ብቐሊሉ ዝርስዑ ኣይኰኑን። እቲ መፋርቕ መረጻ፡ እቲ ኣብታ መዓልቲ ዘጋጠመን ከምኡ'ውን ሚስተር ትራምፕ ኣብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ሰሙናት ዝተዛረቦም ቃላትን ተግባራትን ሕጂ'ውን ኣብ ባህርያት መረጽቲ ጽልዋ ከሕድር ከምዝኽእል ኣረጋጊጹ’ዩ። ትራምፕ ውጽኢት ምርጫ 2020 ምቕባል ምእባዩ ምሉእ ብምሉእ ዝደገፉ ብዙሓት ሕጹያት ሪፓብሊካን ተሳዒሮም’ዮም። ብዙሓት ድማ ካብኣቶም ነቲ ውጽኢት ኣብ ምኽሓድ ብግልጺ ዘይተዛረቡ ኣብ ግዝኣታቶም ዝነበሩ ካልኦት ዝተሓተ ኣፈጻጽማ እዮም ኣርእዮም። ትራምፕ ካልእ ፕረዚደንታዊ ውድድር ንምጅማር ኣዝዩ ዝተሃንጠየ ኰይኑ ዝረኣየሉ ምኽንያት፡ ነቲ ብዙሕ ገበናውን ሲቪላውን መርመራታቱ ከም ኣካል ናይቲ ዝዓበየ ፖለቲካዊ ሕነ ምፍዳይ ብዝያዳ ውጽኢታዊ መንገዲ ንኽቐርጾ ስለዘኽእሎ እዩ። እዚ ንዕላማታት ርክብ ህዝቢ ክሰርሕ ዝኽእል እኳ እንተዀነ፡ ትራምፕ ኣብዞም ጉዳያት ሓቀኛ ሕጋዊ ተቓላዒ እዩ። እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ጆርጅያ ንዝካየድ ገበናዊ መርመራ ምትዕንቓፍ መረጻ፡ ኣብ ኒውዮርክ ንዝርከብ ንግዳዊ ግዝኣቱ ዒላማ ዝገበረ ሲቪላዊ ምትላል፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝምልከት ክሲ ጸለመ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መጥቃዕቲ ካፒቶልን ስልጣኑን ዝነበሮ ተራን ፕረዚደንታዊ ኣተሓሕዛ ምስጢራዊ ንብረት ዝምልከት ፌደራላዊ መርመራታትን ይከላኸል ኣሎ። ዝዀነ ካብዞም መርመራታት፡ ኣብ ኣርእስታት ዜና ዝዕብለልን እንተወሓደ ንግዚኡ ንመደባት ጐስጓስ ሚስተር ትራምፕ ካብ መገዲ ዘውጽእን ምሉእ መስርሕ ፍርዲ ከስዕብ ይኽእል። ንዕኡ እቲ ዝበለጸ ተርእዮ፡ ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትት ምዝንባል እንተዀይኑ እዩ። ዝኸፍአ ተርእዮ ድማ ሰፊሕ ፋይናንሳዊ መቕጻዕቲ ወይ ማእሰርቲ ዘጠቓልል ምስ ዝኸውን እዩ። ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ውድድር ፕረዚደንታዊ ሪፓብሊካን ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ትራምፕ ምስ ሓደ ናይቲ ሰልፊ ፍቱው ተባሂሉ ዝሕሰብ ኣመሓዳሪ ፍሎሪዳ እዩ ተፋጢጡ። ጀብ ቡሽ ግን ኣብ ባይታ ጥንኩር ተወዳዳሪ ከምዘይነበረ ኣመስኪሩ። ዓቢ ጐስጓስን ወዲ ቀዳማይ ጆርጅ ቡሽ ምዃኑን እኹል ኣይነበረን። ምስቲ ናይ ሪፓብሊካን ፖሊሲ ​​ኢሚግሬሽንን ትምህርትን ብሓባር ዝስጉም ኣይነበረን። እቲ ቡሽ ዝብል ስም ድማ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ሪፓብሊካን ዝነበሮ ሓይሊ ኣይተሰከመን። ትራምፕ ኣብ 2024 ሕጹይነት እንተደልዩ፡ ዳግማይ ምስ ኣመሓዳሪ ፍሎሪዳ ክፋጠጥ ክግደድ ይኽእል እዩ። ሮን ደሳንተስ ግን ዘይከም ሚስተር ቡሽ፡ ምስቶም ቀንዲ ደገፍቲ ውድቡ ዝሰማማዕ ምዃኑ ዝሕብር ዕዙዝ ዓወት ዳግማይ መረጻ እዩ ተዓዊቱ። ገና ኣብ ሃገራዊ መድረኽ ክፍተን’ኳ እንተዀነ፡ ፖለቲካዊ ህቡብነቱ ግን ገና ይውስኽ እዩ ዘሎ። ኣብዚ እዋን እዚ ሚስተር ዲሳንተስ ክወዳደር ድዩ ኣይወዳደርን ወይስ መን ካልእ ተወዳዳሪ ክህሉ እዩ ዝብል ንጹር ኣይኮነን። ኣመሓዳሪ ፍሎሪዳ፡ ኣብ መንጐ እቶም ንትራምፕ ካልእ ዕድል ንምሃብ ዘይግደሱ ኣባላት እቲ ሰልፊ ተመራጺ ኮይኑ ክቕልቀል ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተዀይኑ፡ መረጽቲ ሪፓብሊካን፡ ቅድሚ ሕጹይነት ምርካቡ ንትራምፕ ደው ከብሉ ዝሓሸ ዕድል ክረኽቡ ይኽእል እዮም። ኣብ ዋዜማ ፕረዚደንታዊ ምልክታ ትራምፕ፡ ሓደ ዓቃባዊ ጕጅለ ተኸታታሊ መረጻታት ኣውጺኡ ነይሩ፤ ኣብ ኣዮዋን ኒው ሃምፕሻየርን ዝበሃላ ምዃነን ከኣ ይፍለጥ። ደሳንተስ ብ ተፈታውነት ንትራምፕ ብኽልተ ኣሃዝ ይመርሖ ከምዘሎ እቲ ውጽኢት የመልክተ። እተን ግዝኣታት ኣብ መጀመርታ መስርሕ ሕጹይነት ሪፓብሊካን ድምጺ ዝህባ እየን። ሚስተር ደሳንተስ ኣብ ፍሎሪዳ ብ26 ነጥቢ፡ ኣብታ ኣብ ታሕሳስ ካልኣይ መረጻ ሰነት ተካይድ ጆርጅያ ድማ ብ20 ነጥቢ መሪሑ። ኣብ ኵለን እዘን ግዝኣታት፡ ቁጽሪ ሚስተር ትራምፕ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተገብረ መጽናዕቲ ኣዝዩ ዝወረደ እዩ። ኣብተን ኣብ ሓፈሻዊ መረጻ ፕረዚደንትነት ንምርግጋጽ ክዕወት ዘድልያኦ ወሰንቲ ግዝኣታት ሓዊስካ፡ ትራምፕ ብዙሕ ተፈታዊ ከምዘይኮነ ሓጺር ዳህሳስ መረጻታት መፋርቕ የመልክት። ኣብ ኒው ሃምፕሻየር ትራምፕ ዳግማይ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ከምዝደልዩ ዝገለጹ 30 ሚእታዊ መረጽቲ ጥራይ እዮም። ኣብ ፍሎሪዳ ከይተረፈ እቲ ቁጽሪ ናብ 33 ሚእታዊ ጥራይ እዩ ደይቡ። ብርግጽ ትራምፕ ኣብ 2015 እውን ብዛዕባ ሕጹይነቱ ዝነበረ ጽሩይ ኣሉታዊ ኣረኣእያታት ሰጊሩ እዩ። ድሕሪ ሸሞንተ ዓመታት ኣብ ሃገራዊ መድረኽ ፖለቲካ ድሕሪ ምጽናሕ ግን፡ እቶም ኣረኣእያታት ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ምቕያር ተኽእሎኦም ኣዝዩ ውሑድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንፕረዚደንትነት እንተ ተዓዊቱ ትራምፕ ቃለ-መሓላ ኣብ ዝፍጽመሉ እዋን ዕድመኡ 78 ዓመት እዩ ክኸውን። እዚ ድማ ጆ ባይደን ናብ ዋይት ሃውስ ክኣቱ ከሎ ዝነበሮ ዕድመ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ካልኣይ ዝዓበየ ፕረዚደንት ክገብሮ እዩ። ግዜ ንዝተፈላለዩ ሰባት ብዝተፈላለየ መንገዲ ይጸሉ፤ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጾር ዕድመ ግን ዘይተርፍ እዩ። ትራምፕ ንሕጹይ ሪፓብሊካን ንምዕዋት ዘድሊ ዓይነት ጽኑዕ ጎስጓስ ክጻወር ከምዝኽእል ውሕስነት የለን፣ ብፍላይ ድማ ምናልባት ምስ ኣዝዮም ንኣሽቱ ሕጹያት ክወዳደር እንተዀይኑ ክኸብዶ እዩ። ሚስተር ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘደንቕ ጽንዓት ኣርእዩ'ኳ እንተነበረ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ግን ደረቱ ኣሎዎ።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c51ejvxjyvro"} {"headline":"መራሒ ቻይና ነበር ጂያንግ ዘሚን ኣብ መበል 96 ዓመቱ ዓሪፉ","content":"ድሕሪ ተቓውሞ ኣደባባይ ቲያናንመን ናብ ስልጣን ዝመጸ መራሒ ቻይና ነበር ጂያንግ ዘሚን ኣብ መበል 96 ዓመቱ ዓሪፉ። ትማሊ ረቡዕ ድሕሪ ሰዓት 12 ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ኣብ ሻንግሃይ ከምዝሞተ ማዕከናት ዜና መንግስቲ እታ ሃገር ገሊጸን። ዘሚን፡ ቻይና ብሰፊሑ ንግዲ ወጻኢ ኣብ ዝጀመረትሉን ፍጥነት ዘለዎ ዕብየት ኣብ ዝረኣየትሉን እዋን እዩ መሪሕዋ። እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ድሕሪ ቲያናንመንን ገለ ካብቲ ዝኸበደ ተቓውሞታት ኣንጻር እገዳታት ኮቪድ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን እዩ ዓሪፉ። መግለፂ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ብሕማም ሉኪሚያን ምቁራጽ ስራሕ ብዙሓት ክፍሊ-ኣካላትን ከምዝሞተ ይሕብር። እቲ መግለፂ፡ \"ልዑል ክብሪ ዘለዎ ብሉጽ መራሒ\" ከምኡ’ውን \"ንነዊሕ እዋን ዝተፈተነ ዴሳዊ ተጋዳላይ\" ከምዝኾነ ኣፍልጦ ምርካቡ ሓቢሩ። ግሎባል ታይምስን ማዕከን ዜና ሺንሁዋን ሓዊሱ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና፡ ኽብሪ ንምግላጽ መርበብ ሓበሬታታተን ብጸሊምን ጻዕዳን ቀይረንኦ ኣለዋ። ጂያንግ ዘሚን፡ ኣብ 1989 ቻይና ብዓለምለኻዊ ደረጃ ክትግለል ዝገበራ ኣብ ርእሰከተማ ቤጂንግ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ቲያናንመንን ከባቢኡን ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዝተፈጸመ ደማዊ ጭፍጨፋ ስዒቡ እዩ ናብ ስልጣን ደይቡ። ኣብ 1989 ዝተፈጸመ ደማዊ ጭፍጨፋ ስዒቡ ናብ ስልጣን ዝመጸ ጂያንግ ዘሚን፡  ቻይና ንዓሰርተ ዓመታት ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕብየትን ብልጽግናን ኣብ ዝረኣየትሉን ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ዝነበራ ሓጹር ኣልያ ዓለማዊት ልዕለ ሓያል ሃገር ኣብ ዝኾነትሉን እዋን መራሒ ከምዝነበረ ይዝከር። ቻይና ናብ ውድብ ንግዲ ዓለም ክትኣቱን፡ ከምኡ’ውን ሆንግ ኮንግ ካብ ኢድ ብሪጣንያ ብሰላም ክትመሓላለፍን ገይሩ እዩ። ዘሚን፡ ድሕሪ ተቓውሞ ቲያናንመን ንቻይና ክመርሕ ተመሪጹ - እቲ ናብ ዝዓበየ ዲሞክራሲ ዝወስድ ምንቅስቓስ ከምዘይጽወር ዝገልጽ መልእኽቱ ድማ ናብ ህዝቢ ቻይና ኣመሓላሊፉ። ንባዕሉ ግን ብብዙሓት ብፍቕሪ ዝዝከር'ዩ - መንእሰያት፡ ቻይና ምልካዊትን ዕጹውትን እናኾነት ኣብ እትኸደሉ ዘላ እዋን ዝያዳ መሳጢ ስብእና ዘለዎ መራሒ ገይሮም ይርእይዎ። ዘሚን ኣብ 17 ነሓሰ 1926 ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ ቻይና ኣብ እትርከብ ግዝኣት ጂያንግሱ፡ ኣብ ከተማ ያንግዣው ተወሊዱ። ኣብ እዋን መግዛእቲ ጃፓን ዝዓበየ ጂያንግ ዘሚን፡ መሃንድስ ኤሌክትሪክ ኮይኑ ተመሪቑ። ገና ኣብ ኮለጅ እንከሎ ኣብ 21 ዓመቱ ናብ ኮሚኒስት ፓርቲ ተጸንቢሩ። ስድርኡ ሰውራዊ መስመር ወለዶ ስለዘይነበሮም፡ ብሰንኪ ድሕረ ባይታኡ ኣብ ትሕቲ እቲ ተደጋጋሚ ምጽራይ ዝገብር ማኦ ዜዶንግ ድማ ጂያንግ ክሳቐ ይኽእል ነይሩ። ኮይኑ ግን፡ መብዛሕትኡ ናይ ፈለማ ሞያኡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት እዩ ኣሕሊፉ። ኣብ ሞስኮ ኣብ ፋብሪካ መካይን ሶቭየት ሰልጢኑ፡ ድሒሩ ድማ ኣብ ሮማንያ ከም ዲፕሎማት ሰሪሑ። ኣብ 1980ታት ሚኒስተር ኢንዱስትሪ ኤሌክትሮኒክስ ኮይኑ። ብድሒሩ ድማ ኣብ ሻንጋይ ሓላፊ ሰልፊ ኮይኑ። ክሳብ ሽዑ ግን ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ዝኾነ ተሳትፎ ኣይነበሮን። ናብ ተፈላጥነት ዘብጽሖ ወሳኒ ህሞት፡ ኣብ ኣደባባይ ቲያናንመን ዝተኻየደ ተቓውሞ እዩ። ሃገራውያን መራሕቲ ነቲ ብመንእሰያት ሰልፈኛታት ዝተኻየደ ጎበጣ ኣደባባይ ቲያናንመን ብኸመይ ከም ዝሕዝዎ ኣብ ዝደናገሩሉ ዝነበሩ እዋን፡ ዘሚን ድሮ ኣብ ሻንጋይ ተመሳሳሊ ተቓውሞታት ኣጋጢምዎ ነይሩ። ነቲ ተቓውሞ ዘለዓዓለት ኮይኑ ዝተሰምዖ ጋዜጣ ክትዕጾ ገይሩ፡ ንተማሃሮ ብእንግሊዝኛ መደረ ብምሃብ ኣደንጽዩዎም። እቲ ሰልፍታት ብዘይሓይሊ ተበቲኑ፡ እዚ ድማ እቲ ሽዑ ዝነበረ መራሒ ቻይና ደንግ ሺያኦፒንግ ዘይርስዖ ትምህርቲ እዩ። ደንግ ሺያኦፒንግ ካብቶም ኣፈላላይ ዝፈጠሩ ወገናት ክመርጽ ድሕሪ ምግዳዱ፡ ምስቶም ዓቃባውያን ወጊኑ፡ ነቶም ሊበራላውያን ኣጽሪይዎም። ንዘሚን ድማ ዋና ጸሓፊ ኮሚኒስት ሰልፊ ገይሩ መዚዝዎ። እዚ፡ ብውጽኢታዊ መገዲ ዘሚን ወራሲኡ ከምዝኾነ ዘመላኸተ'ዩ ነይሩ። ዘሚንግ፡ ኣብ ተቓውሞ ዝነበሮ ኣቀራርባ ድልዱል እዩ ነይሩ። \"ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ተዛማዲ ኣምር እምበር ፍጹምን ሓፈሻውን ኣይኮኑን\" ኢሉ። ይኹን እምበር፡ ብዙሕ ዕድል ከምዘለዎ ዝሓሰቡ ተዓዘብቲ ቻይና ውሑዳት እዮም። እቲ ገዚፍ መነጽሩ፡ ዕቱብ ባህርያቱን ዳርጋ ክሳብ ኣፍልቡ ዝሰሓብ ፍሉይ ቅዲ ክዳኑን፡ ከምድኹም ቢሮክራታዊ ክረኣይ ገይሮም። ኣብታ ናይ ቀደም ግዝኣቱ ሻንግሃይ ዝነበሩ ሰባት ‘ዘ ፍላወርፖት’ ዝብል ሳጓ ሂቦምዎ እዮም። ብዙሕ ስልማት፡ ተግባር ዘይብሉ፡ ብዙሓት ድማ ከም መሰጋገሪ ባእታ ክኸውን እዩ ዝብል ግምት ነይርዎም። ንሱ ግን፡ ጌጋ ምዃኖም ኣረጋጊጹሎም። ናህሪ ናይቲ ኣዝዩ ዘድሊ ምምሕያሻት ከይዝሕትል፡ ወይ’ውን ደው ከይብል ዝተሻቐለ ደንግ፡ ብዛዕባ ዉዕዉዕ ተገዳስነት ዘሚን ዕቃበታት ክገልጽ ጀሚሩ። ዘሚን ግን ነቲ መልእኽቲ ተረዲኡ ንሓደስቲ ቁጠባዊ ምምሕያሻት ደገፉ ሂቡ። እቲ ማእከላይ መንግስቲ ዝቆጻጸሮ ዝነበረ ማሕበርነታዊ (ሶሻሊስታዊ) ቁጠባ ተኣልዩ። ዋላ እኳ ገና ብጽኑዕ ኣብ ትሕቲ መንግስታዊ ቁጽጽር ዝኣቱ መስርሕ ዕዳጋ ቁጠባ እንተኾነ ሓድሽ ተወፋይነት ካፒታሊዝም ተራእዩ። ኣብ 1993፡ ዘሚን ብወግዒ ፕረዚደንት ኮይኑ፡ ድሮ ድማ ሓላፊ ናይቲ ወተሃደራዊ ኮሚሽን ኮይኑ ተመዚዙ። እዚ፡ ንሰለስቲኡ ሓያል ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ተቖጻጺሩ ማለት እዩ። ደንግ ኣብ ለካቲት 1997 ኣብ ዝሞተሉ እዋን፡ ዘሚን ንነብሱ ከዳሉ እኹል ግዜ ረኺቡ ነይሩ። ብዙሓት ላዕለዎት ስራሓት ድማ ነቶም ካብ ሻንግሃይ ዝመጹ ናይ ቀረባ መሻርኽቱ ሂብዎም ነይሩ። ድሕሪ ሞት ደንግ፡ ዘሚን ኣብ ጎኒ ቀዳማይ ሚኒስተር ዙ ሮንግጂ ኮይኑ ነታ ሃገር ክመርሕ ጀሚሩ። ጂያንግ ዘሚን፡ ኣብ ውሽጢ ዴሳዊ ሰልፊ ዝነበሮ መርገጺ ግን ካብቲ ዳርጋ ቀጻሊ ንፖለቲካ ቻይና ዝገልጽ ምልውዋጥን ውዲትን ውሑስ ክኸውን ድሌት ነይርዎ። ንውሽጣዊ ተቓውሞ ጨፍሊቑ፡ ነቲ መንፈሳዊ ምንቅስቓስ ፋሉን ጎንግ ዓፊኑ፡ ኣብ ልዕሊ ታይዋን ድማ ተሪር መርገጺ ብምኽታል፡ ብወተሃደራት ቻይና ክፍቶ ገይሩ - ዋላ'ኳ መን ሓላፊ ምዃኑ ቀልጢፉ ዘዘኻኽሮም እንተነበረ። \"ሰራዊትና ኣብ ትሕቲ ፍጹም መሪሕነት እቲ ውድብ ዘሎ ህዝባዊ ሰራዊት'ዩ\" ብምባል'ዩ ኣዊጁ። ከምቲ ኣብ መራሕቲ ቻይና ልሙድ ዝኾነ፡ ዘይሕለፍ ዴሳዊ ፍልስፍናታት እውን ገሊጹ። ናቱ ክልሰ-ሓሳብ ሰለስተ ውክልና ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ፡ ነቲ ሰልፊ ዘመናዊ ንምግባር ዝግበር ፈተነ ዘጠቓለለ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝነበሮ ዓብላልነት ውሑስ ዝኾነ ዘሚን፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ስም ቻይና ንምዕባይ ተበጊሱ። ገለ ተዘካሪ ምርኢታት ኣቕሪቡ። ካብዚኦም ድማ ኣብ 1996 ምስ ፕረዚደንት ፊሊፒንስ ፊደል ራሞስ ኣብ ቁጠባዊ መድረኽ ኤስያ ድራር ድሕሪ ምብላዕ ናይ ኤልቪስ ፕሪስሊ ‘ላቭ ሚ ቴንደር’ ትብል መነቃቕሒት ደርፊ ደሪፉ። ዘሚን ኣብ እዋን መሪሕነቱ ናብ ኣሜሪካ ብዙሕ መገሻታት ኣካይዱ እዩ። ምስ ኣሜሪካ ዝነበረ ምሕዝነት ብዝያዳ ብንጹር ዝተገልጸ፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ 11 መስከረም 2001 ኣብ \"ኲናት ኣንጻር ግብረሽበራ\" ምስ ኣሜሪካ ክተሓባበር ምቕራቡ እዩ። ኣብ ሕዳር 2002 ናይ ሰልፊ ሓላፍነት ንሁ ጂንታኦ ብምሃብ ምስግጋር መሪሕነት ጀሚሩ። በዚ ድማ ሁ ኣብ መጋቢት 2003 ንጂያንግ ዘሚን ተኪኡ ፕረዚደንት ኮይኑ። ኣብ መስከረም 2004፡ ዘሚን ካብቲ ናይ መወዳእታ ዓቢ ፖለቲካዊ ስልጣኑ - ካብ ኣቦ መንበርነት ናይቲ ንዕጡቕ ሓይልታት ቻይና ዝከታተል ኮሚሽን ወሪዱ። ምሉእ ብምሉእ ካብ መንግስቲ ወጺኡ ከኣ ንዓመታት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ሳሕቲ ይርአ ነይሩ። ብርግጽ ኣብ 2008 ኣብ ዝተኻየደ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ኦሎምፒክ ቤጂንግ ዝተረኣየ ክኸውን እንከሎ፡ ቻይና ነቲ ውድድር ክተአንግድ ኣብ ምውሓስ ወሳኒ ተራ ተጻዊቱ እዩ። ኣብ 2012 ሕቶ ምትኽኻእ መሪሕነት የካትዕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዳግማይ ተቐልቂሉ፡ ኣብ ፖለቲካ ቻይና ጽልዋ ከምዘለዎ ኣርእዩ። በዓልቲ ቤቱ ዋንግ የፒንግን ክልተ ደቆምን ዝገደፈ ጂያንግ ዘሚን፡ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝተራእየሉ ኣብ 2019 ኮይኑ፡ ኣብ ጽምብል መበል 70 ዓመት ምምስራት ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና'ዩ ነይሩ። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ መበል 20 ጉባኤ ዴሳዊ ፓርቲ ዘይምህላዉ ከም ምልክት ሕማም ጥዕና ተራእዩ። ኣብተን ናይ መወዳእታ ዓመታቱ፡ ጂያንግ ዘሚን ንብዙሓት መንእሰያት ቻይናውያን ዘጠራጥር ጅግና ኮይኑ። ብመልክዑ \"ሓርጃም\" (ኡንቁሮዖብ) ዝብል ሳጓ ሂቦሞ፡ ደገፍቱ ድማ ንነብሶም \"ኣምለኽቲ ሓርጃም\" ኢሎም ይጽውዑ። ንዓኣቶም፡ ምልክት ናይቲ ኣብ ቻይና ዝተሓድገ ዘመን ዝያዳ ሊበራላዊ ስርዓት እዩ ነይሩ።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ckr74dkk17ro"} {"headline":"ወዲ 18 ዓመት ጸሊም ኣሜሪካዊ ከንቲባ","content":"ኣብ ግዝኣት ኣርካንሳስ ዝነብር ወዲ 18 ዓመት ተማሃራይ ኮለጅ፡ ኣብ ኣሜሪካ ዝተመርጸ ዝነኣሰ ጸሊም ከንቲባ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ። ኣብ ወርሒ ግንቦት ካብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ዝወደኣ ጄይለን ስሚዝ ዝተበሃለ መንእሰይ፡ ብሰሉስ ነታ ካብ መምፊስ ቴነሲ ንምዕራብ 48 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ገጠራዊት ከተማ ኤርል ክመርሕ ድምጺ ረኺቡ። ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ናይ መጀመርታ ወዲ 18 ዓመት ከንቲባ ግን ኣይኮነን፡ እዚ ግን ስድርኡ ነቲ ዓቢ ዓወት ካብ ምጽንባል ኣይዓገቶምን። ስሚዝ ትማሊ ረቡዕ ንጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ \"ኣደይ ብኽያታ ደው ክተብል ኣይከኣለትን\" ኢሉ። መብዛሕትኦም ተዓዘብቲ ፖለቲካ ኣሜሪካ ኣብ ጆርጅያ ኣብ ዝካየድ ውድድር ሰኔት ኣብ ዝተጸምዱሉ እዋን እቲ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራት ዝኾነ መንእሰይ ኣብታ 1800 ነበርቲ ዝነብሩላ ከተማ ተዓዊቱ። ስሚዝ፡ ኣብ ልዕሊ ቁጽጽር ጎደናታትን ጽሬትን እታ ከተማ ዝረኸቦ ዓወት ንምጽንባል ኣብ ፌስቡክ \"ዝሓሸ ምዕራፍ ኤርል ኣርካንሳስ ክንሃንጽ ግዜኡ'ዩ\" ክብል ጽሒፉ። \"ንኹሎም ደገፍተይ ናብ መረጻ ክወጹ ብምግባሮም ከመስግኖም እፈቱ። ንኹልኹም ብሓቂ የመስግነኩም።\" ውጽኢት ድምጺ 235 ን 185 ከምዝነበረ ካብ ቤት ጽሕፈት ጸሓፊ ክሪተንደን ካውንቲ ዝተረኽበ ኣሃዝ ይሕብር። እቲ ሓድሽ ከንቲባ፡ ሓይሊ ፖሊስ ንምምሕያሽ፡ ስርዓተ ማይ እታ ከተማ ንምጽጋን፡ ንዝተደርበዩ ኣባይቲ ንምፍታሕን ተሳትፎ ሕብረተሰብ ንምምሕያሽን ዝዓለመ መድረኽ ሒዙ እዩ ተወዳዲሩ። ከም ከንቲባ መጠን፡ ሓደ ዓቢ ዕዳጋ ምግቢ ናብቲ ሕብረተሰብ ከተኣታቱ'ውን መደብ ኣለዎ - ኣብታ ከተማ እንኮ ዝነበረ ድኳን ምግቢ ቅድሚ ዓመታት ተዓጽዩ እዩ። ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ፕረዚደንት ማሕበር ምሕደራ ተማሃሮ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ኮይኑ ኣገልጊሉ፡ ኣብ ክለባት ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ናይ መሪሕነት ተራ ነይርዎ። \"ካብ ሓደ ቦታ ክትጅምር ኣለካ - ብሓቂ ትጅምር ኢኻ\" ክብል ንጋዜጣ ፖስት ተዛሪቡ። \"ኣብዚ ሕጂ እዋን ከንቲባ ክኸውን እናኻኣልኩ ኣብ 30 ወይ 40 ዓመተይ ከንቲባ ክኸውን ኣይደለኹን።\" ኣብ እዋን ጎስጓሱ ካብ ከንቲባ እታ ልዕሊ 200 ሽሕ ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ሊትል ሮክ ኣርካንሳስ ምኽሪ ረኺቡ’ዩ። ፕረዚደንት ማሕበር ከንቲባታት ኣፍሪቃውያን ኣሜሪካውያን ኮይኑ እውን ዘገልግል መራሒ ከተማ ሊትል ሮክ ፍራንክ ስኮት ጁንየር ነቲ ዓወት ንኢዱ። ንሱ፡ ንሲኤንኤን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ \"ንጄይለንን ንመላእ ማሕበረሰብ ኤርልን ተሓጒሰ ኣለኹ፡ ንሱ ኣብታ ሃገር ዝተመርጸ ዝነኣሰ ኣፍሪቃዊ ኣሜሪካዊ ከንቲባ ኮይኑ'ሎ\" ኢሉ። \"ኣብ ከምዚ ዝበለ ንኡስ ዕድሚኡ ናብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ክኣቱ ድልው ብምዃኑን ነታ ከተማ ብዘለዎ ባህጊ ዕላማን ይሕበን እየ።\" ስሚዝ ኣብ ኣርካንሳስ ስቴት ዩኒቨርሲቲ ሚድ-ሳውዝ ትምህርቱ ክቕጽል መደብ ኣለዎ፡ ሓደ መዓልቲ ድማ ኣኽባሪ ሕጊ ክኸውን ተስፋ ይገበር።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw0jkxx12e3o"} {"headline":"ኣሜሪካ፡ ዲሞክራትስ ንሰነት ተቘጻጺሮም","content":"ክካየድ ኣብ ዝጸንሐ መረጻ መፋርቕ ኣሜሪካ፡ ዲሞክራትስ ኣብ ግዝኣት ኔቫዳ ኣብ ዝተኻየደ ኣገዳሲ ውድድር ድሕሪ ምዕዋቶም ኣብ ልዕሊ ሰነት ‘ታ ሃገር ኣብዝሓ ድምጺ ተቘጻጺሮም። ሰነተር ካትሪን ኮርተዝ ማስቶ፡ ነቲ ብዶናልድ ትራምፕ ዝድገፍ ዝነበረ መወዳድርታ ሪፓብሊካን ኣዳም ላክሳልት ክትስዕሮ ኣቐዲሙ ዝተገመተ እዩ ነይሩ። እቲ ውጽኢት’ዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ዝመዝግቦ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመት ዝበለጸ ኣፈጻጽማ መፋርቕ ኰይኑ ተመዝጊቡ’ሎ። ኣብ መፋርቕ እብረ ኣብ ዝግበር መረጻ ኣሜሪካ፡ ዝበዝሕ ግዜ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ተሪር ብድሆ ከጋጥሞ እዩ ዝርአ። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣመና ሕጕስ ምዃኑን፡ ሪፓብሊካን \"መን ምዃኖም\" ክውስኑሉ ግዜኡ ምዃኑን ተዛሪቡ። ኣቦ መንበር ዲሞክራት ኣብ ሰነት ቻክ ሹመር፡ እዚ ውጽኢት ህዝቢ ኣመሪካ ነቲ ንሱ \"ዓመጽ ዝመልኦ” ዝበሎ መደረታት ሰልፊ ሪፓብሊካን ከምዝነጸገ ዘንጸባርቕ'ዩ ኢሉ። በዚ ውጽኢት መሰረት፡ ዲሞክራትስ ሕጂ 50 መናብር ሰነት ክህልዎም እንከሎ፡ ሪፓብሊካን ድማ 49 መናብር ኣለዎም። እታ ዝተረፈት መንበር ግዝኣት ጆርጅያ ኣብ ታሕሳስ ብዝካየድ መረጻ ካልኣይ እንብረ ክትውሰን እያ። ሰነት ኣብ ክልቲአን ሰልፍታት ማዕረ እንተተመቒሉ፡ ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ድምጺ ክትህብ እያ። ኣብ ሓያለ ዞባታት መረጻ፡ ካብ ሰሉስ ኣትሒዙ ውጽኢት ኣብ ዝቝጸረሉ ዘሎ እዋን፡ ሪፓብሊካን ገና ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ናይ ምቝጽጻር ተክእሎ ከም ዘለዎም እዩ ዝንገር። ስለዚ፡ ሪፓብሊካን ኣብቲ ባይቶ እንተተዓዊቶም ንመብዛሕትኡ ኣጀንዳ ፕረዚደንት ባይደን ከፍሽልዎ ይኽእሉ እዮም። ባይደን፡ ኣብ ካምቦድያ ኣብ ሓደ ዋዕላ ኣብ ዝሳተፈሉ ዘሎ እዋን፡ \"ዝተረኽበ ድምጺ ኣይገርመንን እዩ፤ ኣመና ተሓጕሰ ኣለኹ፡ እዚ ድማ ነጸብራቕ ብቕዓት ሕጹያትና'ዩ ኢለ እኣምን\" ኢሉ። ሚስተር ሹመር ብወገኑ፡ እታ ሃገር \"ኣብ ዲሞክራሲና ኣምኒንና ክሳብ ዝተቓለስናሉ፡ ዲሞክራሲ ከም ዝስዕርን እያ ኣርእያ\" ኢሉ። ሚስ ኮርተዝ ማስቶ ኣብ ምሉእ እቲ መረጻ ምስ መነሓንሕታ ኣዳም ላክሳልት ሓያል ምትሕንናቕ እያ ኣካይዳ። እዚ ኣባል ሪፓብሊካን፡ ነቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ንዝተሳዕረ ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ ኣብ መረጻ ምትላል ነይሩ እዩ ዝብል ዘቕረቡ ክሲ ብምድጋፍ ግኑን ስም ዝረኸበ እዩ። ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ ሓደ ዳህሳስ ከም ዘመልክቶ፡ ሚስተር ላክሳልት ምስቶም ኣብ ነቫዳ ሓደ ሕምሲት መራጾ ዝሽፍኑ ላቲናውያን  ንቕድሚት ክወጽእ ከም ዝኽእል ተገሚቱ ነይሩ። እንተዀነ ሚስ ኮርተዝ ማስቶ ዓወታ ከተረጋግጽ፡ ማዕረኡ ድማ ሰልፋ ሰነት ክቈጻጸር ኣኽእሊላ እያ። እዚ ውጽኢት ነቶም \"ቀይሕ ማዕበል\" ብዝብል፡ ንፕረዚደንት ባይደንን ሰልፊ ዲሞክራትታትን ተሪር መግናሕትን ውድቀትን ዘስዕብ መረጻ ክኸውን - ተስፋ ዝገበሩ ሪፓብሊካን ዓቢይ ጽፍዒት'ዩ። ኣብዚ መረጻ፡ ሪፓብሊካን ትሑት ውጽኢት ረኺቦም ግን ከኣ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንምዕዋት ዘሎ ተኽእሎኦም ሒዞም ክቕጽሉን እንከለዉ፡ ዲሞክራት ግን ካብቲ ትጽቢት ወጻኢ ዝበለጸ ኣፈጻጽማ ኣመዝጊቦም። እቲ ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ 2020 ከምዝተዓወተ ብሓሶት ክገልጽ ዝጸንሀ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብዛዕባ እቲ መረጻ መፋርቕ እውን ጭብጢ ዘይብሉ ቃላት ከቕርብ ጸኒሑ'ዩ። ንሱ ብዓርቢ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ኣብ ዝርግሖ መልእኽቲ፡ \"ዲሞክራትስ ኣብ ኔቫዳን ኣሪዞናን ኩሉ ዓይነት ድምጺ ይረኽቡ ኣለዉ። እዚ ክኸውን ምፍቃ ግን ከመይ ዝበለ ነውሪ እዩ!\" ክብል ጽሒፉ። ሚስተር ትራምፕ ኣብ 2024 ዳግማይ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ምዃኑ ክገልጽ ትጽቢት ይግበር፤ እንተዀነ እቶም ንሱ ዝደገፎም ሕጹያት፡ ብሓፈሻ ኣብዚ መፋርቕ ምርጫ ከምቲ ዝድለ ዘዕግብ ውጽኢት ኣየመዝገቡን። ንግዝኣት ሚዙሪ ዝውከለ ሪፓብሊካን ሰነተር ጆሽ ሃውሊ፡ ድሕሪ ውጽኢት ሰነት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ኣረጊት ሰልፊ \"ሞይቱ እዩ\" ብምባል፡ ሓድሽ ነገር ዝግበረሉ እዋን ከምዝኣኸለ ገሊጹ። መረጻ መፋርቕ ብቐንዱ ንኮንግረስ ዝምልከት ኰይኑ፡ ብኽልተ ክፋላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ሰነትን ዝቘመ እዩ። ኮንግረስ ሃገር-ለኸ ሕግታት እዩ ዘውጽእ። ባይቶ ኣየኖት ሕግታት ድምጺ ከም ዝወሃቦም ይውስን፣ ሰነት ከኣ ይገትኦም ወይ የጽድቘም፤ብፕረዚደንት ዝወሃብ ሽመት የጽድቕ፣ ሳሕቲ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ዘድሊ መርመራ የካይድ። እዚ ምሃብ ድምጺ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመትን ኣብ ፍርቂ ‘ቲ ኣርባዕተ ዓመት ዕድመ ስልጣን ፕረዚደንት ዝካየድ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ግዝኣት ኣሜሪካ፡ ንሽዱሽተ ዓመት ኮፍ ዝብሉ ክልተ ሰነተራት ኣሎዋ፤ ወከልቲ ህዝቢ፡ ንኽልተ ዓመት ዝገልግሉ ካብ ንኣሽቱ ምምሕዳራት ዝውከሉ እዮም። ኵሎም መናብር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ሓደ ሲሶ መናብር ሰነትን፡ ኣብዚ መረጻ መፋርቕ ንውድድር ክፉት ኰይኑ ነይሩ። ሓያሎ ዓበይቲ ግዝኣታት ገና መረጻ ኣመሓደርቲን ሰበስልጣን ከባቢን ከም ዘለወን ከኣ ተፈሊጡ’ሎ።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c998w21v859o"} {"headline":"ኣብ ቅልውላው ተሸሚሙ ዝቐነየ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣገዳሲ ዓወት ተጓናጺፉ","content":"ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣጋጢምዎ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፖዛ ንካልኣይ እብረ መራሒ ገዛኢ ሰልፊ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ጉባኤ (ኤ-ኤን-ሲ) ክኸውን ተመሪጹ። ራማፖዛ 2,476 ድምጺ ብምርካብ፡ ነቲ 1,897 ድምጺ ዝረኸበ ሚኒስተር ጥዕና ነበር ዝወሊ ሚኪዘ ብምስዓር'ዩ ንዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ፕረዚደንት ናይቲ ሰልፊ ክኸውን ተመሪጹ ዘሎ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ምስቲ ኣብ ሓደ ንሱ ዝውንኖ ሕርሻ ዝጠፍአ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዶላር'ዩ ዝብሎ ገንዘብ ብዝተሓሓዝ ብብልሽውናን ምጥፍፋእን ክኽሰስ'ዩ ጸኒሑ። ከሰስቱ ግን እቲ ኣብ 'ሶፋ' ተቐሚጡ ዝነበረ ገንዘብ 4 ሚልዮን ከምዝበጽሕ'ዮም ዝገልጹ። ኣብቲ 'ፋርምጌት' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ጉዳይ፡ እቲ ፕረዚደንት ሓበሬታ ከይወጽእ ነቶም ሰረቕቲ ኣብ ምጭዋይን ብላዕ ኣብ ምሃብን ተሳቲፉ ከምዝነበረ'ውን ይኽሰስ። ነቲ ጉዳይ ንምጽራይ ዝቖመ ሓደ ናጻ መርማሪ ጉጅለ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ራማፖዛ ንዘለዎ ስልጣን ካብ ኣገባብ ወጻኢ ተጠቒምሉ፡ ከምኡ'ውን ንሕግታት ጸረ-ብልሽውና እታ ሃገር ጥሒሱ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጹ። ራማፖዛ ግን፡ ኣበሳ ከምዘይብሉን 580 ሽሕ ዶላር ጥራይ ከምዝተሰርቀን'ዩ ዝምጉት። እቲ ዝተሰርቀ ገንዘብ፡ ካብ ሓደ ዝሸጦ ጎባይ (ቡፋሎ) ዝተረኽበ ምዃኑ'ውን ይሕብር። ጸብጻብ ናይቲ መርማሪ ጉጅለ ዝተረከበ ብገዛኢ ሰልፊ ዝዕብለል ፓርላማ እታ ሃገር፡ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ተመያይጡ፡ ካብ ስልጣኑ ናይ ምውራድ መስርሕ ከይጅመር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ወሲኑ ነይሩ። ዋላ'ኳ ዓቢ ፖለቲካዊ ዓወት ተጓናጺፉ እንተሎ፡ ፖሊስ፡ ቤት ጽሕፈት ኣታዊ ውሽጢ ሃገር፡ ከምኡ'ውን ማእከላይ ባንክ እታ ሃገርን ምስቲ ዝኽሰሰሉ ዘሎ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ መርመራ ክቕጽሉ ብምዃኖም ኣብ ልዕሊኡ ዘንጸላለወ ሓደገኛ ደበና ቀልጢፉ ከየግልስ ይኽእል'ዩ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ መዋጥር ኣትዩ እናሃለወ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ካብቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝረኸቦ ድምጺ ንላዕሊ ምርካቡ ንደገፍቱ ዓቢ ሓጎስን ሓበንን ፈጢርሎም ኣሎ። ኣብቲ ጉባኤ ቀንዲ ተቐናቓኒኡን ኣብታ ዝዓበየት ኣውራጃ ክዋዙሉ ናታል ዓቢ ደገፍ ዘለዎን ሚኒስተር ጥዕና ነበር ዶ\/ር ሚኪዘ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ዩ ብምጥፍፋእ ተኸሲሱ ካብ መዝነቱ ወሪዱ። ልዑል ትጽቢት ዝነበሮም ደገፍቱ ድማ፡ በቲ ኣብ ፖለቲካዊ ታኼላ ኣትዩ ዝነበረ ራማፖዛ ምስዓሩ ደንጽዩዎም ኣሎ። ኣብ ውሽጢ'ቲ መዓልታት ዝወሰደ ጉባኤ ንክልቲኦም ወገናት ዝድግፉ ተሳተፍቲ ንሓድሕዶም ኣብ ዘካየድዎ ጎስጓሳት፡ ብገንዘብ ድምጺ ከምዘይዓደጉ ገሊጾም ኣለዉ። 'ዕድጊ-ድምጺ' ኣብ ጉባኤታት ናይቲ ልዕሊ 110 ዓመት ዝገበረ ሰልፊ ከዘራርብ ጸኒሑ'ዩ። ዓሌታዊ ናይ ውሑዳት ጻዓዱ ስርዓት ኣፓርታይድ ኣብ 1994 ጠቕሊሉ ካብ ዝእለ ንድሓር፡ ኤ-ኤን-ሲ ኣብታ ሃገር ስልጣን ብሒትዎ ይርከብ-ዋላ'ኳ ዝነበሮ ደገፍ እናንቆልቀለ ይኸይድ እንተሎ። እቲ መበል 55 ጉባኤ ኤ-ኤን-ሲ 7 ላዕለዎት ሓለፍቱ ዝርከብዎም ሃገራዊ ፈጻሚ ኮሚተ ሰልፊ ክመርጽ ትጽቢት ይግበረሉ። ድሮ፡ ተመሪጾም ዘለዉ 7 ላዕለዎት ሓለፍቲ፣ ተሓዝ ገንዘብ ዝነበረ ፖል ማሻቲለ ምክትል ፕረዚደንት፡ መራሒ ክንፊ መንእሰያት ዝነበረ ፊኪለ ምባሉላ ዋና-ጸሓፊ፡ ቦታኡ ዓቂቡ ዘሎ ሃገራዊ ኣቦመንበር ግወደ ማንታሸ፡ ክምኡ'ውን ንፈለማ እዋን ሰለስተ ደቂኣንሰትዮ (ዋና ዓቃቢት ገንዘብን ክልተ ምክትላት ዋና-ጸሓፊን) ምዃኖም ተፈሊጡ። ካብ ቅድሚ ሕጂ ፍልይ ብዝበለ፡ ቀንዲ ደገፍቲ ናይቲ ፕረዚደንት ኣገዳሲ ስልጣን ምሓዞም'ውን ንራማፖዛ ዓቢ ዓወት'ዩ። እቲ ሓደ ካብ ራብዓይ ወለዶ ናይቲ ሰልፊ ተባሂሉ ዝግለጽ ማሻቲላ ምክትል ፕረዚደንት ናይታ ሃገር ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ'ዩ። ድሕሪ'ቲ ምርጫ፡ እቶም ዝተሳዕሩ መራሕቲ፡ ኣብ ጎኒ እቶም ዝተዓወቱ ከምዝኾኑ ምርግጋጾም ንሓድነት ናይቲ ጉባኤን ሰልፍን ዘሐይል'ዩ ተባሂሉ'ሎ። ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ኣኼባ፡ ሲሪል ራማፖዛ ፖለቲካዊ ጸብጻቡ ኣብ ዘቕርበሉ ዝነበረ እዋን፡ ደገፍቲ ፕረዚደንት እታ ሃገርን ሰልፍን ዝነበረ ጄኮብ ዙማ፡ ብደርፍን ጸርፍን ክዘርግዎ ፈቲኖም ነይሮም። እቲ ሓያል ፖለቲካዊ ደገፍ ዝነበሮ ዙማ፡ ካብቲ ቀንዲ መሰረቱ ዝኾነ ኣውራጃ ክዋዙሉ ናታል ኣብቶም 7 ላዕለዎት ሓለፍቲ ዋላ ሓደ ዘይምምራጹ፡ ንሱን እቲ ዞባን ዝነበሮም ጽልዋ ይምህምን ምህላዉ ዘርኢ'ዩ። እቲ ብከቢድ ገበናት ብልሽውና ዝኽሰስ ዙማ፡ ካብ መዝነቱ ከምዝወርድ ምስተገብረ ክሳብ ቤትማእሰርቲ ከይዱ ብምሕረት ተፈቲሑ። ቅድሚ'ዚ ጉባኤ ምጅማሩ ኸኣ ኣብ ልዕሊ'ቲ መቐናቕንቱ ዝኾነ ራማፖዛ ሕጋዊ ክሲ ከምዘቕርብ ኣፍሊጡ ነይሩ። እቲ ኣብ ገዛኢ ሰልፊ ስልጣኑን ጽልውኡን ኣረጋጊጹ ዘሎ ፕረዚደንት ራማፖዛ፡ ነቲ ኣጋጢምዎ ዘሎ ክስታት ብዓወት እንተሰጊርዎ፡ ንዝመጽእ 5 ዓመታት ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይኑ ክቕጽል ዓቢ ዕድል ክህልዎ'ዩ። ሲሪል ራማፎዛ፡ ኣብ ለካቲት 2018 ሓድሽ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ኮይኑ ምምራጹ ይዝከር።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c19vd9wvjj2o"} {"headline":"ሉላ ዳ ሲልቫ ዳግማይ ፕረዚደንት ብራዚል ኮይኑ ተመሪጹ","content":"ፕረዚደንት ነበር ሉዊስ ኢናስዮ ሉላ ዳ ሲልቫ፡ ኣብ ልዕሊ የማናዊ መርገጺ ዘለዎ ፕረዚደንት ጀይር ቦልሶናሮ ተዓዊቱ። ኣብቲ ሓያል ምውድዳር ዝተርኣየሉ መረጻ፡ ሉላ 50.9% ብምርካብ እዩ ነቲ ደገፍቱ ከምዝዕወት ርግጸኛታት ኮይኖም ዝዛረቡሉ ዝነበሩ ፕረዚደንት ቦልሶናሮ ስዒሩ። እቲ ኣብታ ሃገር ዝተራእየ ፖለቲካዊ ምፍንታት ግን ብቐሊሉ ክሃስስ ከምዘይኰነ ይግለጽ። ካብ 2003 ክሳዕ 2010 ነታ ሃገር ዝመርሐ ፕረዚደንት ነበር ሉዊስ ኢናስዮ ሉላ ዳ ሲልቫ፡ ኣብ እዋን ፕረዚደንታዊ መረጻ 2018 ተኣሲሩን ከይወዳደር ተኣጊዱን እዩ ነይሩ። ንሱ ካብ ሓደ ትካል ህንጻ ብራዚል ብላዕ ብምቕባል ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ ነይሩ። ሉላ ን580 መዓልታት ኣብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽንሑ እዩ እቲ ፍርዲ ተሰሪዙሉ ዳግማይ ናብ ፖለቲካ ተመሊሱ። ንሱ ድሕሪ ዓወቱ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ “ብህይወተይ እንከለኹ ክቐብሩኒ ፈቲኖም፡ እነኹ፡” ኢሉ። ኣቐዲሙ ኣብ ኢንተርነት ዝተገብረ ኣፈናዊ ዳህሳስ፡ ሉላ ብገፊሕ ከምዝዕወት ዝእንፍት እኳ እንተነበረ፡ ውጽኢት እቲ መረጻ ክወጽእ ምስ ጀመረ፡ ኣዝዩ ብጸቢብ ይመርሕ ብምንባሩ ብዙሓት ብራዚላውያን ነቲ ግምታት ክጠራጠርዎ ጀሚሮም ነይሮም። “እቲ ዝጸንሐ ስርዓት” ከምኡ’ውን መራኸቢ ብዙሃን ኣንጻሩ ተዓጢቘም ነቲ ዘለዎ ደገፍ የነኣእስዎ ኣለው ብዝብል ጠቐነታት ዝተተባብዑ ደገፍቲ ፕረዚደንት ጀይር ቦልሶናሮ፡ ከምዝዕወት ምሉእ እምነት እዩ ነይርዎም። ዓወት እቲ ጸጋማዊ መርገጺ ዘለዎ ፖለቲከኛ፡ ነዞም ንሉላ “ሰራቒ” ከምኡ’ውን ምስራዝ እቲ ፍርዲ ካብቲ ገበን ነጻ ዝገብሮ ኣይኮነን ብምባል ዝምጕቱ፡ ደገፍቲ ቦልሶናሮ ከቘጥዕ ምዃኑ ይግመት። ጀይል ቦልሶናሮ ንዝለዓለ ስልጣን እታ ሃገር'ኳ እንተዘይተዓወተ፡ ምስኡ ቅርበት ዘለዎም ኣባላት ባይቶ ዝበዝሐ መናብር ረኺቦም ኣሎው። እዚ ከኣ ሉላ ኣብ ፖሊሲታቱ ሓያል ተቓውሞ ናይቲ ሓጋጊ ኣካል ክገጥሞ ምዃኑ ዘርኢ እዩ። እንተዀነ እቲ ካብ ጥሪ 2003 ክሳዕ ታሕሳስ 2010 ንኽልተ እብረ ነታ ሃገር ዝመርሐ ሉላ ልፍንቲ ናይ ምቛም ልምዲ ዘለዎ እዩ። ምኽትሉ ኰይኑ ኣብዚ መረጻ ክወዳደር ዝሓረዮ፡ ኣብ ዝቐደሙ መረጻታት ኣንጻሩ ንዝተወዳደረ ገራልዶ ኣልክሚን እዩ። እቲ “ሓድነት” ናይ ምፍጣር ውጥኑ፡ ድምጾም ንሰልፊ ዕዮ ክህቡ ንዘይደልዩ ብዙሓት ኣድመጽቲ ብምስሓቡ ዝተሳኽዓሉ ይመስል። መደረ ሉላ መንፈስ ዕርቂ ዝነበሮ ኰይኑ፡ ነቶም ዝመረጽዎ ጥራሕ ዘይኮነ ንዅሎም ብራዚላውያን ክሰርሕ ምዃኑ ቃል ኣትዩ። “እዛ ሃገር ሰላምን ሓድነትን የድልያ። እዚ ህዝቢ ዳግማይ ክቃለስ ኣይደልን እዩ፡” ኢሉ። እቲ ኣብቲ ኤለክትሮኒካዊ ስርዓተ ድምጺ እምነት ከምዘይብሉ ክገልጽ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ጀይር ቦልሶናሮ ንስዕረቱ ብዝምልከት ዛጊት ዝሃቦ ርእይቶ የለን። ቅድሚ ገለ መዓልታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ “ዘጠራጥር ነገር የለን። እቲ ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸበ ይዕወት። እዚ እዩ ዲሞክራሲ፡” ኢሉ ነይሩ።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c0xz688q7x2o"} {"headline":"መረጻታት መፋርቕ ኣሜሪካ፡ ሚዛን ሓይሊ ባይቶ ናብ መን የብል ይኸውን?","content":"ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ዘሎ ሚዛን ሓይሊ ናብ መን የብል ይኸውን ዝብል ሕቶ ኣዘራራቢ ኰይኑ ኣብ ዝርከበሉ እዋን፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣሜሪካውያን ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝካየድ ናይ መፋርቕ መረጻ ድምጾም ክህቡ እዮም። መናብር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብምልኡ፡ ሓደ ሲሶ ኣባላት ባይቶን፡ ኣመሓደርቲ ኣገደስቲ ግዝኣታትን ክምረጹ እዮም። ፕረዚደንት ጆ ባይደንን (ደሞክራትስ)፡ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕን (ሪፓብሊካን)፡ ክገብርዎ ዝቐነዩ መደረታት ጐስጓስ ወዲኦም ኣለው። ከምቲ ብዙሓት ተንተንቲ ዝብልዎ ሪፓብሊካን ነቲ ባይቶ እንተተቘጻጺሮም፡ ባይደን ሕግታት ኣብ ምጽዳቕ ከቢድ ብድሆ ክገጥሞ እዩ። ኣብዚ እዋን ደሞክራትስ ንቤተ መንግስቲ (ዋይት ሃውስ) ክብሕትዎ እንከለው፡ ኣብ ኮንግረስ’ውን ብጸቢብ ጸብለልታ ኣለዎም። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ መፋርቕ ኣብ ዝካየድ መረጻ፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ከባቢ 20 መናብር ይስእን እዩ። መረጻታት መፋርቕ ኣሜሪካ ኣብ ፍርቂ እብረ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት (ኣብ ክልተ ዓመቱ) እዩ ዝካየድ። ፕረዚደንት ባይደን፡ ኣብቲ ሎሚ ሰሉስ ዝካየድ መረጻታት መፋርቕ፡ ዋላ’ኳ ንውድድር እንተዘይቀረበ፡ መሪሕነቱ ብድምጺ ህዝቢ ዝግምገመሉ ኣጋጣሚ ከምዝዀነ ይግለጽ። እቲ ፕረዚደንት ምጕዳል ዋጋታት ብሓኪም ዝተኣዘዘ መድሃኒታት፡ ምስፋሕ ጽሩይ ጸዓትን ምሕዳስ ትሕተ ቅርጽን ክገብር ምዃኑ ተመባጺዑ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ዘመነ ስልጣኑ፡ ካብ ዝሓለፈ ኣርብዓ ዓመታት ዝኸፍአ ዝቕባበን ብዝሒ ብዶብ ሜክሲኮ ዝሰግሩ ዘይሕጋውያን ስደተኛታትን ብምርኣዩ ህቡብነቱ ክብሕጐግ ተራእዩ። ኣብ ሰልፊ ደሞክራትስ’ውን ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዝቕጽል መረጻ 2024 ደጊሙ ክምረጽ ኣለዎ ዶ? ዝብል ሕቶታት ይለዓል ኣሎ። ፕረዚደንት ባይደን ብሰኑይ ናብ ሜሪላንድ ብምኻድ ንዌስ ሙር ብምድጋፍ ጐስጓስ ኣካይዱ። ዌስ ሙር እንተተዓዊቱ ንሳልሳይ እብረ ዝተመረጸ ጸሊም ኣሜሪካዊ ኣመሓዳሪ ብምዃን ታሪኽ ክሰርሕ እዩ። ኣብ ኣሜሪካ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ብዝገበሮ ዳህሳስ፡ ካብ ሪፓብሊካውያን ተወዳደርቲ መረጻታት መፋርቕ፡ እቶም ልዕሊ ፍርቂ ነቲ ትራምፕ ብዘይ ጭብጢ ከቕርቦ ዝጸንሐ ጥርዓን ብምድጋፍ፡ ኣብ መረጻ 2020 ጥርጣረታት ኣሎዎም።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ckmxvvy74yno"} {"headline":"ዢ ጂንፒንግ ዋና ጸሓፊ ዴሳዊ ቻይና ኰይኑ ንሳልሳይ ግዜ ተመሪጹ","content":"ፕረዚደንት ቻይና ኰይኑ ዝመርሕ ዘሎ ዢ ጂንፒንግ ንሳልሳይ ግዜ ዋና ጸሓፊ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ኰይኑ ተመዚዙ። ንሱ ንህዝቢ ቻይናን ዓለምን፡ ዋና ጸሓፊ እቲ ሰልፊ ኰይኑ ንሳልሳይ ግዜ ከምዝተመዘዘ ብወግዒ ኣብ ዘበሰረሉ ግዜ ኣብ ጐደናታት በይጂን ጥቡቕ ሓለዋ ከምዝነበረ ተፈሊጡ። ኣብቲ ንሓደ ሰሙን ምሉእ ዝተኻየደ ጉባኤ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና፡ ኣስታት ክልተ ሽሕ ወከልቲ ኣባላት እቲ ውድብ ክሳተፍዎ እንከለዉ፡ ዋና ጸሓፊ ዝርከቦም 7 ኣባላት ቀዋሚ ኮሚቴን 25 ኣባላት ፖሊት-ቢሮን ብምምራጽ ተዛዚሙ። ዢ ጂንፒንግ ምስ ተመረጸ ሽዑ ንሽዑ ነቶም ሸውዓተ ኣባላት ቀዋሚ ኮሚቴ እቲ ሰልፊ ብወግዒ ዘላለየ ኰይኑ፡ ሓላፊ ውድብ ሻንጋይ ነበር ሊ ኵያንግ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ክኸውን’ዩ። ዢ ጂንፒንግ ሓደስቲ ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ውድብ ምስ ኣላለየ ብዛዕባ መጻኢ ኵነታት እታ ሃገር ኣንፈት ሂቡ። ንሱ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ቻይና ካብ ዓለም ወጻኢ ክትምዕብል ኣይትኽእልን እያ፣ ዓለም ድማ ንቻይና ትደልያ’ያ” ኢሉ። ‘ቻይና ካብ ቍጠባ ዓለም ትግለል ኣላ’ ዝብል ስግኣት ስለዝነበረ ሓድሽ መደረ ዢ ጂንፒንግ መጻኢ ዕድል ሃገሩ ካብ ቍጠባ ዓለም ተነጺሉ ከምዘይቅጽል ኣረጋጊጹ’ሎ። ንሱ ኣስዒቡ፡ “ድሕሪ እቲ ንልዕሊ 40 ዓመታት ዘካየድናዮ ዘይተሓለለ ጻዕሪ፡ ክልተ ዓበይቲ ነገራት ኣዐዊትና ኢና። ቅልጡፍ ቁጠባዊ ምዕባለን ናይ ነዊሕ ግዜ ማሕበራዊ ርግኣትን” ኢሉ። ሓድሽ ላዕለዋይ መሪሕነት እቲ ሰልፊ፡ ንዢ ጂንፒንግ ብዘለዎም ተኣማንነትን ስርዓት እቲ ውድብ ብምኽባርን እምበር ዓቕሚ መሰረት ዝገበረ ሕርያ ከምዘይኰነ ዝንቀፍ ዘሎ ኰይኑ፡ ኣብቶም ሸውዓተ ኣባላት ቀዋሚ ኮሚቴ ይዅን 25 ኣባላት ፖሊት-ቢሮ ዋላ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዘይምህልዋ ድማ፡ ናይቲ ውድብ ብተባዕትዩ ናይ ምዕብላል ‘ሕዱር ሕማም’ ይቕጽል ከምዘሎ ዘመላኽት’ዩ ተባሂሉ። ኣብ ኣሜሪካ ዋሺንግተን ዩኒቨርስቲ ተንታኒ ፖለቲካ ፕሮፌሰር ያንግ ዣንግ ነቲ መረጻ “ዘሕዘንን ዘሰንበድን” ክብል ገሊጽዎ። ንቻይና ዝመርሕ ዘሎ ኮሙኒስት ፓርቲ ቻይና ሓፈሻዊ ጉባኤኡ በብ ሓሙሽተ ዓመት ከምዘካይድ ዝፍለጥ ኮይኑ እቲ ኣብዚ ሰሙን ክካየድ ዝቐነየ ጉባኤ ብዙሕ ሓድሕዳዊ ምክፍፋል ዝተርኣየሉ ከምዝኾነ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ። ብመሰረት ሕገ ደንቢ እቲ ውድብ፡ ዋና ጸሓፊ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ኰይኑ ዝተመረጸ ሰብ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ይኸውን። እንተዀነ ኣብቲ ቀጺሉ ኣብ መጋቢት ዝካየድ መረጻ መተኣማመኒ ድምጺ ክረክብ ኣለዎ። ስለዝዀነ ዢ ጂንፒንግ ፕረዚደንት ቻይና ኰይኑ ንሳልሳይ እብረ ክቕጽል’ዩ ማለት’ዩ። ኣብቲ ጉባኤ ክሳተፍ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ቻይና ነበር ሁ ጁንታኦ ካብቲ ኣዳራሽ ተደፊኡ ብሓይሊ ክወጽእ ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ተሌቭዥን እታ ሃገር ምስተርኣየ መዛረቢ ማዕከናት ዜና ዓለም ኰይኑ ቀንዩ’ሎ። ሁ ጁንታኦ ስለምንታይ ተደፊኡ ከምዝወጽአ ብንጹር ዝተፈልጠ ነገር’ኳ እንተዘየሎ ደሓረ ግን “ብደሓን ኣይኮነን” ዝብል ምላሽ ተዋሂቡ’ዩ።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cz71ww04w2xo"} {"headline":"ባይደን፡ ልዕሊ ትጽቢት ብዝዀነ ውጽኢት መረጻ 'እፎይ' ኢሉ","content":"ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ይካየድ ኣብ ዘሎ መረጻታት መፋርቕ፡ ዲሞክራትስ ነቲ ብሪፓብሊካን ተረኺቡ ዝነበረ መኽሰብ ድሕሪ ምምካቶም፡ ዝተሰምዖ እፎይታ ገሊጹ። ሪፓብሊካን ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ናብ ምቍጽጻር ገጾም ተቓሪቦም ነይሮም፤ እንተዀነ ባይደን እቲ \"ዓቢ ቀይሕ ማዕበል\" [ብሪፓብሊካውያን ክቃላሕ ዝጸንሐ መብጽዓ] ትማሊ ሰሉስ ምሸት ክፍጸም ከም ዘይከኣለ ኣመልኪቱ። እዚ ይዅን እምበር፡ ክልቲኦም ሰልፍታት ነቲ ኣብ ሰለስተ ውድድራት ዝምርኮስ ንሰነት ኣሜሪካ ናይ ምዕዋት ተኽእሎኦም ገና ማዕረ እዩ ዘሎ። ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ - ኣብዚ እዋን’ዚ ዲሞክራትስ - መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መጀመርታ መረጻታት መፋርቕ ስዕረት የጋጥሞ እዩ። ሓንጸጽቲ ስትራተጂ ሪፓብሊካውያን፡ ዝቕባበ ኣብ 40 ዓመት ኣብ ዝኸፍአ ደረጃኡ በጺሑ ከምዘሎን፡ ነዚ ኣመልኪቱ ፕረዚደንት ባይደን ዝህቦ መረዳእታ ድማ ብኣንጻሩ ኣዝዩ ትሑት ምዃኑን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ስፍሕ ዝበለ ዓወት ክረኽቡ ተስፋ ሰኒቘም ጸኒሖም እዮም። እንተዀነ፡ መረዳእታታት ውጽኢት መረጻ ከም ዘመልክትዎ፡ ሪፓብሊካውያን መሰል ምንጻል ጥንሲ ንምድራት ብዝገብርዎ ጻዕሪ፡ መረጽቲ ክቐጽዕዎም ከምዝኽእሉ ዝእምት እዩ። ባይደን ትማሊ ረቡዕ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ክሳብ ሕጂ ተረኺቡ ብዘሎ  ውጽኢት \"ትንፋስ ዕረፍቲ\" ከስተንፍስ ከምዘኽኣሎ ገሊጹ’ሎ። \"ንዲሞክራሲ እትኸውን ብርኽቲ መዓልቲ ኢና ውዒልና ‘መስለኒ\" ኢሉ። ኣተሓሒዙ፡ እቲ ዝነበሮ ተስፋ ከምዝተረጋገጸን፡ ነቶም፡ ደሞክራት ከቢድ ክሳራታት ከምዘጋጥሞም ግምታት ክህቡ ዝጸንሑ ጋዜጠኛታት ድማ ዘይጭቡጥነት ከም ዝነበሮም ገሊጹ። በቲ ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ዝዀነ ውጽኢት፡ ትማሊ ምሸት ዝተተባብዐ ባይደን፡ ኣብ 2024 ዳግማይ ንፕረዚደንታዊ መረጻ ክቐርብ መደብ ከምዘለዎ ኣሚቱ። “ሓሳብና ዳግማይ ንምውድዳር እዩ፤ ዕላማና ንሱ እዩ ነይሩ፡\" ክብል እቲ ኣብዚ ወርሒ፡ 80 ዓመቱ ዝደፈነ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ። ሪፓብሊካን ብወገኖም፡ ነቲ ባይቶ ካብ ዲሞክራትስ ንምቍጽጻር ዘድልዮም 218 መናብር ተቓሪቦም ነይሮም። ሪፓብሊካን ኣብ ሓዲኡ ባይቶ ኮንግረስ እንተተዓዊቶም፡ ኣጀንዳ ናይቲ ፕረዚደንት ክድርቱ ሓይሊ ክረኽቡ ክኽእሉ እዮም። ዋይት ሃውስ፡ ንምምሕዳር ባይደን ንዝግበር ምርመራ ኮንግረስ ደው ኣቢልዎ እዩ ዘሎ። ፕረዚደንት ባይደን ምስ ሪፓብሊካን ንምስራሕ ድሉው ምዃኑን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ዝርርብ ክልቲኡ ሰልፊታት ከም ዝካየድን ገሊጹ’ሎ። እንተኾነ ግን ህዝቢ ኣሜሪካ፡ ንዝዀነ ብሪፓብሊካን ዝለዓል ሕቶታት “ዳርጋ ኮሜዲ\" ገይሩ እዩ ዝርእዮ ዝብል እምነት ከምዘለዎ እቲ ፕረዚደንት ገሊጹ። ኣብዚ መረጻ፡ ኣብ ኣሪዞና፡ ጆርጅያን ኔቫዳን ካብ ዝካየዱ ሰለስተ ወሰንቲ ዓበይቲ ውድድራት፡ ዝተዓወተ ሰልፊ ንሰነት ክቈጻጸር ክኽእል እዩ። ውድድር ሰነት ኣሪዞና ናብ ዲሞክራትስ ገጹ ዘዝበለ ክመስል እንከሎ፡ ኔቫዳ ግን ክብን ለጠቕን ይረኣዮ ከም ዘሎ፡ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ኣገልግሎት ዜና ሲቢኤስ ዘቐመጦ ግምታት ይሕብር። ጆርጅያ፡ ኣብ መንጐ ኣባል ዲሞክራት ሰነተር ራፋኤል ዋርኖክን መነሓንሕቱ ሪፓብሊካን ሄርሸል ዎከርን ዝካየድ ውድድር ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ብዝካየድ ካልኣይ እብረ መረጻ ክውሰን እዩ፤ ክልቲኦም መወዳድርቲ ንፍጹም ዓወት ዘድሊ 50 ሚእታዊት ደረት ክሓልፍዎ ኣይከኣሉን። ኣብዚ መረጻ መፋርቕ፡ ሓደ ካብቲ ሪፓብሊካን ዝረኸብዎ ድሙቕ ዓወት፡ ንሓላፊ ጐስጓስ ባይቶ ዲሞክራትስ ንሾን ፓትሪክ ማሎኒ ኣብ ኒውዮርክ ምስዓሮም እዩ። ንዲሞክራትስ ዝዓበየ ዓወት ‘ቲ ምሸት ኰይኑ ዝተመዝገበ ድማ፡ ኣብ ፐንሲልቨንያ ንዝነበረ መንበር ሰነት ኣሜሪካ ክግምጥልዎ ምኽኣሎም እዩ። እቲ ካብ ዘጋጠሞ ወቕዒ እናሓወየ ዝመጽእ ዘሎ ጆን ፈተርማን፡ ነቲ ሓድሽ ምጻእ ፖለቲከኛ ሪፓብሊካን ዝዀነ ፍሉጥ ዶክተር መህመት ኦዝ ረቲዑዎ’ሎ። ሚስተር ኦዝ ደገፍ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዘለዎ ኰይኑ፡ ብገለ ተንተንቲ ግን ከም ጠንቂ’ቲ ሪፓብሊካን ዘሕለፍዎ ሕማቕ ምሸት ይውቀስ ኣሎ። እዚ ድኹም ውጽኢት ሪፓብሊካን፡ ነቲ ዓቢይ ግምት ዝተነብሮ፡ ሚስተር ትራምፕ ኣብ 2024 ናብ ዋይት ሃውስ ናይ ምምላስ ጻዕሩ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትይዎ’ሎ፤ ትራምፕ፡ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን መግለጺ ክህብ ቃል ኣትዩ እዩ። ስቲቨን ሚለር ዝተባህለ ሓደ ካብ ኣማኸርቱ ግን፡ ንዓቃባዊ መርበብ ሓበሬታ ኒውስማክስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ትራምፕ ውጽኢት መረጻ ጆርጅያ ክሳብ ዝንገር፡ ንመግለጺ ክህወኽ ከምዘይግባእ ይመኽሮ ከምዘሎ ገሊጹ። ዶናልድ ትራምፕ ካብቶም ዝደገፎም ልዕሊ 300 ሕጹያት፡ ዝተፈራረቐ ውጽኢት’ዩ ዝረክብ ዘሎ። እቶም ኣብ ኦሃዮን ሰሜን ካሮላይናን ንኽፉት መንበር ሰነት ዝመረጾም ሕጹያት ተዓዊቶም ኣለዉ። እንተዀነ፡ ካልኦት ኣብ ውድድር ኣመሓዳሪ ሚሺጋንን ፐንስልቨንያን ዝሓረዮም ተወዳደርቲ ግን ተሳዒሮም። ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ፡ እዚ ውጽኢት መረጻ \"ብመጠኑ ተስፋ ዘቝርጽ’ዩ\" ክብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተኣሚኑ። እዚ ይዅን ግን፡ \"ብውልቃዊ ኣረኣእያይ ኣመና ገዚፍ ዓወት እዩ ነይሩ\" ክብል ኣስሚሩሉ።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c04837ymy78o"} {"headline":"እስራኤል፡ ዘገርም ምልሰት በንጃሚን ናታንያሁ ናብ ስልጣን","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ነበር በንጃሚን ናታንያሁ፡ ብደገፍ ሕሉፋት የማናውያን ናብ ስልጣን ክምለስ ተቓሪቡ ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ። ብመሰረት ክሳብ ሕጂ ዝተገልጸ ውጽኢት ናይቲ ትማሊ ዝተኻየደ ባይቶኣዊ መረጻ፡ እቲ ብናታንያሁ ዝምራሕ የማናዊ ፖለቲካዊ ቀጽሪ፡ ካብ 120 መናብር 65 ክዕወት ትጽቢት ይግበረሉ። እንተዀነ፡ ዓወቱ ብደገፍ ሕሉፍ-ሃገራዊ ሰልፊ ሃይማኖታዊ ጽዮናዊነት ጥራይ'ዩ ክሰምር ዝኽእል። መራሕቲ ናይቲ ሕሉፍ-የማናዊ ሰልፊ ዝዀኑ፡ ኢታማር በን-ገቪርን ቤዛለል ስሞትሪክን፡ ኣንጻር ኣዕራብ ብዘውጽእዎም መግለጺታት'ዮም ዝፍለጡ። ነታ ሃገር ምእዙዛት ዘይኰኑ ፖለቲከኛታትን ሲቪላውያንን ካብታ ሃገር ክጥረዙ'ውን ክጽውዑ ጸኒሖም'ዮም። በን-ገቪርን ሰዓቢ ሓደ ሜር ካሃን ዝተባህለ ሕሉፍ-ሃገራውን ዓሌታውን ምንባሩ ይፍለጥ። ውድብ ናይቲ ዓሌታዊ ምንባሩ ዝፍለጥ ካሃን ኣሸባሪ ጕጅለ ተባሂሉ ብኣሜሪካ ዝተመዝገበ ኰይኑ፡ ኢታማር በን-ገቪርን'ውን ብዓሌትነትን ጽልኢ ብምዝርጋሕን ገበነኛ ኰይኑ ዝነበረ'ዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ምብራቕ እየሩሳሌም ኣንጻር ፍልስጤማውያን ናዕበኛታት ሽጉጥ ምውጽኡ ብዙሕ ኣዘራሪቡ ነይሩ። ድሕሪ'ቲ መረጻ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ግን፡ \"ንመላእ እስራኤል፡ እንተላይ ነቶም ዝጸልኡኒ ክሰርሕ'የ\" ክብል ቃል ኣትዩ'ሎ። ኣስታት 86 ሚእታዊት ናይቲ ድምጺ ብወግዒ ድሕሪ ምንጋሩ፡ ደገፍቲ ናይቲ ሕሉፍ ሃይማኖታዊ ሰልፊ፡ ኣብ ምብራቕ እየሩሳሌም ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ፍልስጤማውያን ጸርፍን ኣእማንን ክድርብዩ ተራእዮም። መራሒ ስልፊ ሊኲድ ዝዀነ በንጃሚን ናታንያሁ፡ ትማሊ ወጋሕታ፡ ኣብ መደበር መረጻ ናይቲ ሰልፊ ብምኻድ ንዝተጓናጸፎ ዓወት ምስ ደገፍቱ ጸንቢሉ። \"ህዝቢ እስራኤል ኣባና ዓቢይ እምነት ከምዘለዎ ዝገልጽ ዓወት ተጓናጺፍና ኣለና\" ክብል ንደገፍቱ ተዛሪቡ። ኣቐዲሙ፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ ቀጽሪ ዝተፈላለያ ሰልፍታት፡ ብውሕዱ 61 መናብር ከምዝተዓወተ ምስተፈልጠ፡ ደገፍቱ 'ቢቢ' ዝብል ቅጽል ስሙ እናጸውዑ ሓጐሶም ክገልጹ ጀሚሮም። ብኣንጻሩ ኣብ ስልጣን ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ያኢር ላፒድ፡ ኣብ ደምበ ናይቲ ንሱ ዝመርሖ የሽ ኣቲድ ዝተባህለ ሰልፊ ብምኻድ ክሳብ ሽዑ \"ዋላ ሓደ\" ዝተወሰነ ነገር ከምዘይነበረ ተዛሪቡ። ወዲ 73 ዓመት በንጃሚን ናታንያሁ፡ ኣብታ ሃገር ካብ ዘለዉ ዓበይትን ኣዘራረብትን መራሕቲ ኰይኑ፡ ብደገፍቱ ክቱር ተቐባልነት ዘለዎን፡ ብብዙሓት ካልኦት ኣዝዩ ዝጽላእን እዩ።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2pz4lx3jgo"} {"headline":"ንቻይና ዝመርሑ ቀንዲ ሰብኡት በዓል መን እዮም?","content":"ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና፡ ኣብ መወዳእታ ጉባኤኡ ንዝመጽእ ሓሙሽተ ዓመታት ንቻይና ዝመርሑ ሰባት ብወግዒ ኣፍሊጡ’ሎ። ቀዋሚ ኮሚቴ ፖሊትቢሮ፡ ማዕረ ፕረዚደንታዊ ካቢነ ቻይና ስልጣን ኣለዎ። እዚ ኮሚቴ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ሰልፊ ከም ‘ልሂቀ-ልሂቃን’ ዝቝጸር ኰይኑ፡ ናብ ላዕሊ ንምብጻሕ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ኣንጸባራቒ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ዝሓትት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ውሕሉል ክእለታት ምምላኽ እቲ ውሽጣዊ ንሕንሕ ዝሓትት'ውን እዩ። ኣብዚ ሰልፊ፡ ሓደ ዘመነ ስልጣን ድሕሪ ምብቅዑ፡ ዓበይቲ ምትዕርራያት ቀዋሚ ኮሚቴ ምርኣይ ልሙድ እዩ፤ እዚ ሕጂ ዝተራእየ ድማ ብተመሳሳሊ ከምቲ ዝሓለፈ እዩ። እዞም ኣባላት ኮሚቴ፡ ብፕረዚደንት ዚ ጂንፒንግ ብጥንቃቐ ዝተመርጹ ኰይኖም፡ ብዘይካ ዣኦ ለጂን ዋንግ ሁኒንግን፡ እቶም ካልኦት ኣብቲ ጕጅለ ሓደስቲ እዮም። ዳርጋ ኵሎም እሙናት እቲ ፕረዚደንት ምዃኖም ድማ ይንገር። በዚ መሰረት፡ እቶም ኣባላት ‘ቲ ብፕረዚደንት ዢ ዝምራሕ ማእከል ስልጣን ቻይና ዝዀኑ ሰባት እዞም ዝስዕቡ እዮም። ጸሓፊ ሰልፊ ሻንጋይ ኰይኑ ዕድመኡ 63 እዩ። ንሱ፡ ከም ኣዝዩ እሙንን ንኡስ መሳርሕቲ ዢ ዝቝጸርን ኰይኑ፡ ኣብ ዞባ ዠያንግ ኣብ ዝርከባ ንኡሳን ዞባታት ዝሰርሕ ዝነበረ እዩ። ፕረዚደንት ዢ፡ ሓላፊ ሰልፊ ኣብ ዠጂያንግ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሊ፡ ሓለቓ ስታፍ ኰይኑ የገልግል ነይሩ። ጕጅለኡ፡ ኣብ መጀመርያ እዚ ዓመት ኣብ ሻንጋይ ዝተራእየ ለበዳ ኮቪድ ብዝነበሮ ኣተሓሕዛ፡ ጕጅለኡ ብነበርቲ እቲ ዞባ ብተሪር ተነቒፋ እያ። እዚ ድማ ንፖለቲካዊ መጻኢኡ ብኣሉታ ክጸልዎ ይኽእል እዩ ዝብል ግምታት ነይሩ። እዚ ሽመት’ዚ ግን ንዢ ዘለዎ ተኣማንነት ብንጹር ዘረጋግጽ ኰይኑ’ሎ። መዓርግ ናይዞም ኣባላት ቀዋሚ ኮሚቴ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ክረጋገጽ ምዃኑን፡ ብዙሓት ድማ ሊ ኣብ ዝመጽእ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውንን፡ ድሕሪ ዢ ካልኣይ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ክኸውን ከም ዝኽእልን ይግምቱ። ሓላፊ ማእከላይ ኮሚሽን መርመራ ስነ-ስርዓት ኰይኑ ዕድመኡ 65 እዩ። ዣኦ፡ ኣብ መሪሕነት ቻይና ከም ሓደ ዝደምቕ ዘሎ ኮኾብ ዝርአ ኰይኑ፡ ልክዕ ከም ፕረዚደንት ዢ፡ ምስ ግዝኣት ሻንጺ ጥቡቕ ርክብ ኣለዎ። ንሱ ኣብ ዞባዊ መንግስቲ ግዝኣት ቺንግሃይ ድሕሪ ምጽንባሩ፡ ብቕልጡፍ ኣብ መሳልል ስልጣን ደይቡ፤ ኣብ 42 ዓመት ዕድመኡ ኣመሓዳሪ ዞባ ክኸውን ዝኸኣለ ዝነኣሰ ሰብ ድማ እዩ። ዣኦ ከም ሓላፊ ኣካል ጸረ-ብልሽውና መጠን፡ ሓላፍነት ምዕቃብ ሰልፋዊ ስነምግባር ኣሎዎ፤ በዚ መሰረት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጉቦ ከምዝተቐበሉ ኣቃሊሑ እዩ። ቀዳማይ ጸሓፊ ሴክረታርያት ዴሳዊ ሰልፊ ኰይኑ፡ ዕድመኡ 67 እዩ። ዋንግ፡ ምሁርን ፕሮፌሰርን ዝነበረ ይዅን እምበር፡ ዓይኒ ላዕለዎት ፖለቲከኛታት ድሕሪ ምሓዙ፡ ኣብ መሳልል ፖለቲካዊ ስልጣን ዝደየበ እዩ። ንሱ፡ ንፕረዚደንት ነበር ዢያንግ ዘሚን ከማኽር ተሓጽዩ፡ ኣማኻሪ እቲ ፕረዚደንት ክኸውን ዕብየት ዝረኸበ እዩ። ዋንግ ከም ፖለቲካዊ ክልሰ-ሓሳባዊ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና መጠን፡ ሓያለ ሓሳባት እቲ ሰልፊ ዝሃንደሰ ቀንዲ ሓንጐል እቲ ሰልፊ ምዃኑ ይእመን። እዚኣቶም ድማ ጽንሰሓሳባት ሰለስተ መራሕቲ ቻይና፡ ማለት ክልሰሓሳባት ዢያንግ ዘሚን፡ ሳይንሳዊ ኣረኣእያ ምዕባለ ሁ ጂንታኦን ኣተሓሳስባ ዢ ጂንፒንግን ይርከብዎም። እቲ ዝዓበየ ተበግሶ ቅናትን መንገድን ቻይና እውን ሓሳቡ ምዃኑ እዩ ዝንገር። ንሱ፡ ምስ ኵሎም ንኡሳን ጕጅለታት እቲ ሰልፊ ጽቡቕ ስምምዕ ኣለዎ፡ ይበሃል። ወዲ 66 ዓመት ኰይኑ፡ ከንቲባ በይጂን እዩ። ንሱ ናይ ቀረባ ፈታዊ ዢ ኰይኑ፡ ኣብ ትሕቲ መራሒ ቻይና ኣብ ዞባታት ፉጂያንን ዠጂያንግን ዝሰርሐን፡ ንፍጹም ተኣማንነት ነቲ መራሒ ዝጸንውዐን እዩ። ኣብ መጀመርታ ‘ዚ ዓመት፡ ለበዳ ኮሮና ኣብ ዝለዓለ ደረጃኡ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ኣብ በይጂን ዝተኣንገደ ኦሎምፒክ ሓጋይ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ሰልፊ ከም ዓቢይ ዓወት ዝተራእየን፡ ንሱ’ውን ዝተመጐሰሉን እዩ። እንተዀነ፡ ኣብ 2017 ብዝሒ ህዝቢ እታ ርእሰ ከተማ ንምንካይ ዘውጽኦን፡ ኣብ መወዳእታ ብዙሓት ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ዜጋታት ካብታ ከተማ ንኽወጽኡ ዘገደደን ውጥኑ፡ ብዙሕ ክትዓት ፈጢሩ እዩ። ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊን ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንትን ኰይኑ፡ ዕድመኡ 60 እዩ። ብትምህርቲ መሃንድስ ዝዀነ ዲንግ፡ ኣብ ሻንጋይ ኣብ ዝርከብ ጸግዒ-መንግስቲ ኣብ ዝዀነ ማእከል መጽናዕቲ ፖለቲካዊ ስራሕ ከም ዝጀመረ ይንገረሉ። ንሱ፡ ኣብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ምድያብ ስልጣን ኣገዳሲ ጽፍሒ ተባሂሉ ዝሕሰብ - ከም ጸሓፊ ሰልፊ ዞባ ወይ ኣመሓዳሪ ተመኵሮ’ኳ እንተዘይነበሮ፡ ኣብ 2007 ግን ጸሓፊ ዢ ኰይኑ ተመዚዙ። ካብ 2014 ኣትሒዙ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኰይኑ፡ ከም ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ዢ ኣድማዒ ስርሓት ፈጺሙ እዩ። ሓያል ተጣባቒ ኣተሓሳስባ ዢ ጂንፒንግ ዝዀ ዲንግ፡ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም እሙናት ደገፍቲ ዢ እዩ። ንሱ፡ መራሒ ቻይና ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ይዅን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝገበሮ ብዙሕ መገሻታት ኣሰንዩዎ'ዩ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ካብ ዝዀነ በዓል ስልጣን ንላዕሊ ምስቲ መራሒ ዝበዝሐ ግዜ ዘሕለፈ ምዃኑ ድማ ተዓዘብቲ ይዛረቡ። ንሱ፡ ወዲ 66 ዓመት ኰይኑ፡ ኣብ ግዝኣት ጉዋንዶንግ ጸሓፊ ‘ቲ ሰልፊ እዩ። ምስ ስድራቤት መራሒ ቻይና ጥቡቕ ርክብ ዘለዎን ነቲ መራሒ እሙን ዝዀነን ሊ፡ ኣብ 2017 ኣብ ግዝኣት ሊዮኒንግ ብሰንኪ ዝተፈብረኸ ናይ ሓሶት ቁጠባዊ መረዳእታ ንዝተፈጸመ ብልሽውናን ቅልውላውን ክፈትሕ ዝኸኣለ ምዃኑ ይንገረሉ። ንሱ ኣብታ ፍሉይ ፖለቲካዊ ኣገዳስነት ዘለዋ፡ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ቀንዲ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ማኦ ዘዱንግ ዝነበራን፡ ፕረዚደንት ዢ ንሸውዓተ ዓመታት ከቢድ ስራሕ ዘካየደላን ከተማ የናን፡ መራሒ ሰልፊ ኰይኑ ኣገልጊሉ ነይሩ። ሊ፡ ኣብ ጉዋንዶንግን ልምዓት ኢንዱስትሪ ቴክኖሎጂን ቁጠባዊ ጽገናን ዝደረኸ ሰብ እዩ። ብተወሳኺ ሓደስቲ ፖሊሲታት ንግዲ ዘውጽአን፡ ዞባዊ ውህደት ዘስፍሐን መራሒ ምዃኑ ይንገረሉ።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cg3n592xweno"} {"headline":"ብዕልዋ ናብ ስልጣን ዝመጸ መራሒ ቡርኪናፋሶ ብዕልዋ ተኣልዩ","content":"ሓለቓ ሰራዊት ቡርኪናፋሶ ኢብራሂም ትራኦረ፡ ንሌተናል ኮሎኔል ፖል-ሄንሪ ዳሚባ ካብ ስልጣኑ ከምዘውረዶ ኣብ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ቀሪቡ ኣፍሊጡ። ሌተናል ኮሎኔል ዳሚባ፡ ነቲ እስላማዊ ናዕቢ ፍታሕ ክገብረሉ ኣይክኣለን ዝበለ እቲ ሓለቓ ሰራዊት ወሲኹ’ውን ዶባት ንዘይተወሰነ እዋን ከምዝተዓጽወን ኩሉ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ከምዝተቛረጸን ገሊጹ። ብትራኦረ ዝተፈረመ መግለጺ፡ ዳሚባ ኣብ ሕቶ ጸጥታ ከተኩር ንምግባር ብዙሕ ግዜ ከምዝፈተኑ ይሕብር። \"ተግባራት ዳሚባ ካብቲ ክነሳኽዖ ዝተበገስናሉ ዕላማ ይጥምዝዝ ከምዘሎ ኣእሚኑና። ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ዳሚባ [ካብ ስልጣን] ክእለ ወሲንና\" ይብል። ካብ ምሸት ሰዓት 9 ክሳብ ንግሆ ሰዓት 5 ዕጽዋ እውን ተኣዊጁ’ሎ። ሃለዋት ሌተናል ኮሎኔል ዳሚባ ግን ኣይተፈልጠን። ኣሜሪካ ኣብ ቡርኪናፋሶ ብዘጋጠሙ ፍፃመታት \"ኣዝያ ከምዘሻቐለት\" ብምግላፅ ዜጋታታ ኣብታ ሃገር ዝግበር ምንቅስቓሳት ክድርቱ ኣተሓሳሲባ። ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ \"ኩሎም ኣካላት ናብ ህድኣት ክምለሱ ንጽውዕ\" ኢሉ። ዞባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ (ኢኮዋስ)፡ \"ብዘይሕገ መንግስታዊ መንገዲ ስልጣን ምውሳድ” ከምዝቃወም ብምርግጋጽ ነቲ ስጉምቲ ኮኒኑ። ሌተናል ኮሎኔል ዳሚባ፡ ወረ ዕልዋ መንግስቲ እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ኣብ ሞንጎ ገለ ወተሃደራት \"ምቅይያር ስሚዒት\" ዝተፈጥረ \"ህውከት ዝመልኦ ኩነታት\" ከምዘሎ ገሊጹ ነይሩ። ሰባት ክሃድኡን ካብ ግምታት ማሕበራዊ መራኸቢታት ክቑጠቡን ዘተሓሳሰበ እቲ ወተሃደራዊ መራሒ፡ \"ህድኣትን ቅሳነትን ንምምላስ ድርድር ይካየድ ኣሎ\" ምባሉ’ውን ይዝከር። ሌተናል ኮሎኔል ዳሚባ፡ ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዕጡቕ እስላማዊ ዓመጽ ክስዕር ከምዘይከኣል ብምግላጽ፡ ንፕረዚደንት ሮች ካቦረ ካብ ስልጣኑ ዘውረዶ ኣብ ወርሒ ጥሪ ነይሩ። ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ ገለ ሰልፈኛታት ናብ ጎደናታት ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ወጺኦም፡ ሌተናል ኮሎኔል ዳሚባ ካብ ስልጣን ክእለይ ጸዊዖም ነይሮም። ብሰንኪ እቲ ኣብ 2015 ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝተወልዐ እስላማዊ ናዕቢ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም፡ ኣስታት ክልተ ሚልዮን ዝግመቱ ድማ ተመዛቢሎም እዮም። እታ ሃገር ኣብ 1960 ናጽነት ካብ እትረክብ ንደሓር ሸሞንተ ዕዉታት ዕልዋ መንግስቲ ከምዝተኻየዱ ይፍለጥ።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3gwq7ykvnxo"} {"headline":"መንበሪ ገዛ እስክንድር ነጋ ብፖሊስ ተፈቲሹ","content":"መንበሪ ገዛ ፕረዚደንት ሰልፊ ባልደራስ ንሓቀኛ ዴሞክራሲ ነበር ኣይተ እስክንድር ነጋ ብሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ከምዝተፈተሸ ኣባላት መሪሕነት እቲ ሰልፊ ዝኾኑ ምንጭታት ሓበሬታ ንቢቢሲ ተዛሪቦም። ብመሰረት እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ፡ መንበሪ ገዝ እቲ ሃለዋቱ ዘይፍለጥ ፖለቲከኛ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም 5 ጥቅምቲ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ እዩ ብፖሊስ ተፈቲሹ። እስክንድር ኣብ ዝቕመጠሉ፡ መንበሪ ገዛ ኣደ በዓልቲ ቤቱ፡ ዝተኻየደ ፈተሻ ዕላምኡ እንታይ ከምዝኾነን ዝተወስዱ ኣቑሑት እንተሃልዩን፡ ዝተፈለጠ ነገር የለን። ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ፌደራል ፖሊስን ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን። ብተመሳሳሊ ነዚ ብዝምልከት ኣብ እዋን እቲ ፍተሻ ንዝነበሩ ስድራ እቲ ፖለቲከኛ ብተሌፎን ንምርኻብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይተዓወተን። ይኹን እምበር፡ ንኣዋርሕ ዘይተራእየ እስክንድር “ኣብ መንበሪ ገዝኡ ተሓቢኡ ኣሎ” ዝብል ሓበሬታ ክስማዕ ምጅማሩ ስዒቡ፡ እቲ ፍተሻ ተኻይዱ ክኸውን ከምዝኽእል ምንጭና ሓቢሩ። ፕረዚደንት ሰልፊ ፖለቲካ ‘ባልደራስ’ ዝነበረ እስክንድር ነጋ፡ ካብ መሪሕነትን ኣባልነትን እቲ ሰልፊ ከምዝለቐቐ ካብ ዝሕብር ንደሓር ኣብ ህዝባዊ መድረኻት ኣይተራእየን። ንሱ ፅሒፍዎ ኣብ ዝተብሃለን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እቲ ስልፊ ዝተጠቅዐን ደብዳበ፡ ካብ ኣመራርሓን ኣባልነትን እቲ ሰልፊ ከምዝለቐቐ ኣመልኪቱ ነይሩ። እስክንድር፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝገብሮ ዘሎ \"ምልካዊ ጸቕጢ\" ስዒቡ፡ ናብዚ ውሳነ [ደሃዩ ምስዋር] ከምዝበፅሐ ኣብ ደብዳቤኡ ሓቢሩ’ሎ። እስክንድር ካብ ሰሜን ኣሜሪካ ካብ ዝምለስ ንደሓር ኣብ ህዝባዊ መድረኻት ክረኣይ ዘይምኽኣሉ ኣዘራራቢ ጉዳይ ኮይኑ ይርከብ። ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ፖለቲካዊ ሃዋህው ኢትዮጵያ ክሳተፍ ዝጸንሐ እስክንድር፤ ኣብ ሕትመትን መራኸቢ ብዙሃንን ብዝነበሮ ተሳትፎን ብዝመስረቶ ፖለቲካዊ ውድብን ይፍለጥ።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ce720l087x0o"} {"headline":"ኦሮምያ፡ ዕጡቓት ንነበርትን ኣባላት ምልሻን ከምዝቐተሉ መንግስቲ ገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ፡ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋ፡ ዕጡቓት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ሲቪላትን ኣባላት ምልሻን ከምዝቐተሉ መንግስቲ ኣፍሊጡ። እቲ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ኣብ ዞባ ሆሮ ጉድሩ ወለጋ ኣብ ዝርከብ ቀበሌ ጃርደጋ ጃርቴ፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመን ብዙሓት ሰባት ከምዝሞቱን፡ ነበርቲ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም። ቤት ፅሕፈት ኣገልግሎት ኮምኒኬሽን መንግስቲ፡ ሎሚ ቀዳም 14 መስከረም 2015 ዓ\/ም [ግእዝ] ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብቲ ዞባ \"ንጹሃት ሲቪላትን ኣባላት ምልሻ እቲ ከባብን ቀቲሉ\" ኢሉ ከሲሱ። እንተኾነ፡ ብዛዕባ ብዝሒ ዝተቐትሉ ሰባት ዝኾነ ነገር ኣይገለጸን። ዝተፈላለዩ ምንጭታት ብዝሒ ናይቶም ዝሞቱ ሰባት ብዓሰርተታት ዝቑጸር ከምዝኾነ ክገልጹ እንከለው፡ ቢቢሲ ካብ ነበርቲ እቲ ከባቢን ሰበስልጣንን ሓበሬታ ንምርካብ ዝገብሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን። እቲ መግለፂ፡ ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላት እቲ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ስጉምቲ ይወስዱ ምህላዎም ሓቢሩ። ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከም ግብረሽበራ ዝተበየነ መንግስቲ ሸኔ ኢሉ ዝጽውዖ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ብዛዕባ እዚ መጥቃዕቲ ክሳብ ሕጂ ዝበሎ ነገር የለን።\\n\\nኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝንቀሳቐሰሉ ከባቢታት ምዕራብ ኦሮሚያ፡ እንተላይ ኣብ ዞባ ሆሮ ጉድሩ ወለጋ፡ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ፣ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፣ ሰበ-ስልጣናትን ትካላትን መጥቃዕቲ በጺሑ'ዩ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ [ኢሰመኮ]፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋ ብዕጡቓት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣዝዩ ከምዘሻቕሎ ገሊጹ ነይሩ። እቲ ኮሚሽን፡ ካብ 23 ነሓሰ ክሳብ 25 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ብዕጡቓት ዝተፈፀሙ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ልዕሊ 60 ሰባት ሞይቶም፤ ልዕሊ 70 ሰባት ከምዝቖሰሉን ልዕሊ 20 ሽሕ ሰባት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉን ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ዕጡቓት፡ ብርክት ዝበሉ ሰላማውያን ሰባት ከምዝሞቱ ጸብጻባት ይሕብሩ። ዓለምለኸ ትካላት ተጣበቕቲ መሰላት፡ እዞም መጥቃዕትታት ኣብ ዓሌት ዝተመርኮሱ ምዃኖም ስክፍታኦም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም። ብፍላይ ካብ መፋርቕ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብቲ ከባቢ ንዝነብር ህዝቢ ኣምሓራ ዒላማ ዝገበረ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ከምዝነበረ ክዝከር እዩ።\\n\\nካብቲ መጥቃዕቲ ዝደሓኑ መንግስትን ነበርቲ እቲ ከባብን ንሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ተሓታቲ ክገብሩ እንከለዉ፡ እቲ ጉጅለ በውገኑ ንሓይልታት ጽጥታ መንግስቲ ክኸስስ ይስትውዓል።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c2vl2jl865zo"} {"headline":"ኣብ 97 ዕድሚኡ ንባይቶ ዝወዳደር ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር","content":"ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ውህሉል ተሞክሮ ዘለዎም ፖሊቲከኛታት ዝኾነ ማሃቲር መሓመድ፡ ኣብ 97 ዓመት ዕድሚኡ ኣብ ሓፈሻዊ መረጻ ማሌዥያ ንባይቶ ክወዳደር'ዩ። ማሃቲር ክልተ ግዜ ቀዳማይ ሚኒስተር ማሌዥያ ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብቲ ፈላማይ እዋን ን22 ዓመታት ኣብ ስልጣን ጸኒሑ'ዩ። ኣብ 2018 ዳግማይ ክምዘዝ ከሎ ድማ ወዲ 92 ዓመት ነይሩ። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ብሰንኪ ሕማም ልቢ ሆስፒታል ኣትዩ ዝነበረ እዚ ገዲም ፖለቲከኛ፡ ሕጂ ግን መንበሩ ንምክልኻል እኹል ጥዕና ከምዘለዎ ይዛረብ። ግን ናቱ ሰልፊ እንተተዓዊቱ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን ድዩ ኣይከውንን ኣይገለጸን። ማሃቲር ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ \"መን ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝኸውን ኣይወሰናን፡ ምኽንያቱ ሕጹይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣገዳሲ ዝኸውን ምስ ተዓወትና ጥራይ እዩ\" ኢሉ። ባይቶ ማሌዥያ ትማሊ ሰኑይ ክብተን እንከሎ፡ መንግስቲ፡ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ እታ ሃገር ከብቅዕ እዩ ኢሉ ተስፋ ዝገበረሉ ሓፈሻዊ መረጻ ንኽካየድ መንገዲ ከፊቱ’ዩ። ማሃቲር ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 1964 እዩ ኣባል ባይቶ ኮይኑ። ካብ 1980ታት ጀሚሩ ማሌዥያ ንዝገበረቶ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ምዕባለን ለውጥን ብሰፊሑ ይምስገን። ኣብ 2018፡ ነቲ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ገንዘብ መንግስቲ ብምጥፍፋእ ተኸሲሱ ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ናጂብ ራዛክ ካብ ስልጣን ንምውራድ ካብ ጡረታ ተመሊሱ። ብሓገዝ ናይቲ ተቐናቓኒ ነበር ኣንዋር ኢብራሂም፡ ዳግማይ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኮይኑ ክምረጽ እንከሎ፡ ናጂብ ራዛክ ድማ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብን ስልጣን ምጥቃምን ብዝብል ክሲ ተኣሲሩ። ናይ ማሃቲር ሰልፊ ግን ክብደት ውሽጣዊ ንሕንሕ ክጻወር ከምዘይክእል ብምርግጋጹ፡ ኣብ ለካቲት 2020 ማሃቲር ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ። እዚ ወዲ 97 ዓመት ፖሊቲከኛ፡ ናይ ሕማም ልቢ ጸገም ኣለዎ። ተደጋጋሚ ወቕዒ ልቢ ኣጋጢምዎ መጥባሕቲታት ተገይርሉ እዩ። ብኮቪድ-19 ተለኺፉ ሆስፒታል ድሕሪ ምእታዉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ከምዝወጸ ድማ ይፍለጥ።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1g0m2mrd4o"} {"headline":"ኢጣልያ፡ ጸረ-ስደተኛታት ጆርጅያ ሜሎኒ ከም እትዕወት ይግመት","content":"መራሒት ሰልፊ ሕሉፍ የማናዊ - ሰልፊ ሕውነት ኢጣልያ - ጆርጅያ ሜሎኒ ኣብቲ ኽካየድ ዝቐነየ መረጻ ኢጣልያ ከም ዝተዓወተት ትገልጽ ኣላ፤ በዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ‘ታ ሃገር ፋልመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ንምዃን መገዲ ጸሪጋ’ላ። ሜሎኒ፡ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣዝዩ ሕሉፍ ዝዀነ ኣኽራሪ የማናዊ መንግስቲ ክትምስርት ከም እትኽእል ድማ ሰፊሕ ግምትታት ብኣጋኡ ተነቢሩ’ሎ። ኢጣልያ ሳልሳይ ዝዓበየ ቁጠባ ሕብረት ኣውሮጳ ስለዝዀነት፡ እዚ ተርእዮ’ዚ ንመብዛሕትኡ ክፋል ኣውሮጳ ከም ዘሰንብድ ይግመት። እንተዀነ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ መረጻ መግለጺ ዝሃበት ሜሎኒ፡ እትመርሖ ሰልፊ ሕውነት ኢጣልያ \"ንዅሉ ብማዕረ ዘመሓድር\" ምዃኑን ዝተነብረሉ እምነት ህዝቢ ከምዘይጠልምን ገሊጻ። ንሳ ኣብ ሮማ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኢጣልያውያን፡ ነቲ ሰልፊ ሕውነት ኢጣልያ ዝመርሖ የማናዊ መንግስቲ ዝድግፍ ንጹር መልእኽቲ ኣሕሊፎም እዮም፡ ኢላ። ዛጊት ተረኺቡ ንዘሎ ውጽኢት ምርኩስ ብምግባር ኣብ ዝተገብረ ገምጋም፡ ሜሎኒ፡ ንናይ ቀረባ መቐናቕንታ ኤንሪኮ ሌታ ማእከላይ-ጸጋማዊ በሊጻ፡ ክሳብ 26% ድምጺ ‘ቲ መረጻ ክትዕወተሉ ከም እትኽእል ብኣጋ ተገሚቱ’ሎ። እቲ ማቴዮ ሳልቪኒ ዝመርሖ ሕሉፍ የማናዊ ሊግን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሲልቪዮ በርሉስኮኒ ዝነበረ ዝመርሖ ማእከል-የማናዊ ሰልፊ ‘ፎርዛ ኢጣልያ’ ዝሓቘፈ ኪዳን የማናዊ ሚሎኒ- ዛጊት ንኽልቲኡ ባይቶታት ዝዕብልሎ ይመስል ኣሎ። እዚ ይዅን እምበር፡ መን ቀጻሊ ንኢጣልያ ክመርሕ እዩ ዝብል ውሳነ፡ ብፕረዚደንት ዝወሃብ ስለዝዀነ ግዜ ክወስድ ምዃኑ ይግመት። ሜሎኒ፡ ዋላ’ኳ ንዩክይረን ዘለዋ ደገፍ ብምጕላሕን ትረኻታት ጸረ-ሕብረት ኣውሮጳ ብምቅላልን፡ ምስላ ንምጽባቕ ኣበርቲዓ ትሰርሕ እንተሃለወት፡ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ካብ ሓድጊታት ፋሽስታዊ ውልቀ መላኺ ቤኒቶ ሙሶሊኒ ሱር ንዘለዎ ሰልፊ እያ ትመርሕ። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ንሳ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ቮክስ - ስጳኛ ኣብ ዘስመዐቶ መደረ፡ \"እወ ንተፈጥሮኣዊ ስድራቤት - ኣይፋል ንጐስጓስ ሕደጾታውነት፤ እወ ንጾታዊ መንነት - ኣይፋል ንጾታዊ ስነ-ሓሳብ፤ ኣይፋል ንእስላማዊ ዓመጽ - እወ ንውሑስ ዶባት፤ ኣይፋል ንጃምላዊ ስደት፣ ኣይፋል ንዓበይቲ ኣህጉራዊ ፋይናንስ፣ ኣይፋል ንቢሮክራት ብራስለስ [ሕብረት ኣውሮጳ]!\" ክትብል ቀዳምነታታ ኣቐሚጣ። ነቲ ንዓወት ሜሎኒ፡ ብ 26% ኣብ ልዕሊ ንማእከላይ ጸጋማዊ ኪዳን ዘቐምጥ ትንበያታት ኣመልኪታ፡ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራት ዝዀነት ዲቦራ ሴራቻኒ “ንኢጣልያ ዘሕዝን ምሸት እዩ” ኢላ። የማናውያን \"ኣብ ባይቶ በዚሖም ኣለው፣ ኣብታ ሃገር ግን ኣይኰነን\" ክትብል ወሲኻ ትገልጽ። ጸጋማውያን፡ ድሕሪ’ቲ ን18 ኣዋርሕ ዝጸንሐ ምሩኽማሽ ሃገራዊ ሓድነታዊ መንግስቲ ኢጣልያ፡ ምስ ካልኦት ሰልፍታት ግብራዊ ዝዀነ ስራሕ ከካይዱ ኣይከኣሉን። ሰበስልጣን ቅድሚ ምድማጽ’ውን ተስፋ ቈሪጾም ጸኒሖም’ዮም። እቲ ብጁሰፐ ኮንተ ዝካየድ ምንቅስቓስ ‘ሓሙሽተ ኮኾብ’ ሳልሳይ ደረጃ ዝሕዝ ይመስል ኣሎ፤ እንተዀነ ሓያሎ ፖሊሲታት ማእከል-ጸጋም እኳ እንተሃለው ምስ ኤንሪኮ ለታ ግን ዓይኒ ንዓይኒ ኣይረኣኣዩን። ቍጽሪ መረጽቲ፡ ብዘደንቕ መልክዑ ትሑት እዩ ነይሩ፣ ግዜ መረጻ ኣብ ዝተዓጽወሉ 63.82% ኰይኑ፡ ካብ 2018 ዳርጋ ብ10 ነጥቢ ከምዝነከየ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ገሊጹ። ብፍላይ ኣብ ሲቺልያ ሓዊሱ ኣብ ደቡባዊ ግዝኣት ኢጣልያ፡ ቍጽሪ መረጽቲ ውሑድ ነይሩ። ኢጣልያ ካብ ቀንዲ መስራትቲ ሕብረት ኣውሮጳን ኣባል ኔቶን ኰይና፡ ሜሎኒ ብዛዕባ ሕብረት ኣውሮጳ እተስምዖ ዘላ ዘረባታት ምስ መራሒ ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን ከቀራርባ እዩ። ክልቲኦም መላፍንታ ምስ ሩስያ ጥቡቕ ርክብ ዝጸንሖ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ። እቲ ወዲ 85 ዓመት ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር በርሉስኮኒ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቭላድሚር ፑቲን ንዩክረይን ዝወርር ተደፊኡ እዩ፡ ክብል እንከሎ ሳልቪኒ ድማ፡ ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ንዘንበርዎ እገዳ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትዩዎ ኣሎ። ሜሎኒ፡ ህሉው ቅልውላው ጸዓት ንዅነታት ቀይርዎ'ዩ ኢላ ብምክርኻር፡ ነቲ ንዳግመ-ሕውየት ኢጣልያ ምስ ሕብረት ኣውሮጳ ዝተሰማምዓትሉ ኣስታት 200 ቢልዮን ዩሮ ሓገዝን ልቓሕን ድሕረ-ኮቪድ 19 ዳግማይ ክትርእዮ ትደሊ። ንነዊሕ እዋን ፖለቲካዊ ዳይረክተር ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ኰይኑ ዝዓየየ ባላዝ ኦርባን፡ ቀልጢፉ ንየማናውያን ሰልፍታት ኢጣልያ እንቋዕ ሓጐሰኩም ብምባል፣ \"ንብድሆታት ኣውሮጳ ንምግጣም፡ ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ናይ ሓባር ራእይን ኣቀራርባን ዘለዎም መሓዙት የድልዩና\" ኢሉ። ጆርዳን ባርዴላ ካብ ሕሉፍ የማናዊ ሃገራዊ ሰልፊ ፈረንሳ፡ ኢጣልያውያን መረጽቲ ንሓላፊት ኮሚሽን ኣውሮጳ ኡርሱላ ቫን ደር ለየን ትምህርቲ ትሕትና ሂቦምዋ ኣለው፡ ኢላ። ኡርሱላ ኣቐዲማ፡ ኢጣልያ ናብ \"ሓደገኛ ኣንፈት\" እንተኸይዳ ኣውሮጳ ግብረመልሲ ዝህብ \"መሳርሒታት\" ከምዘለዋ ገሊጻ ነይራ። ይዅን እምበር፡ ፕሮፌሰር ጂያንሉካ ፓሳረሊ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሳፒየንዛ ሮማ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንሳ ኣብ ንኣውሮጳ ካብ ምህዋኽ ክትቍጠብን ኣብ ካልእ ፖሊሲታት ከተተኩርን የድሊ ኢሉ። \"ኣብ ሲቪላዊ መሰላትን ፖሊሲታትን፡ ኣብ ልዕሊ መሰላት ሕደጾታውነትን ስደተኛታትን ዝያዳ ገደብ ክንርኢ ኢና ዝብል ግምት ኣሎኒ፡\" ኢሉ። ሳልቪኒ ነተን ካብ ሊብያ ስደተኛታት ሒዘን ማእከላይ ባሕሪ ዝሰግራ ጀላቡ ደው ንምባል ናብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ክምለስ ተስፋ ክገብር’ዩ። እዚ መረጻ’ዚ፡ ምጕዳል ክልቲኡ ባይቶታት ብሓደ ሲሶ ዘርኣየ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ንረብሓ’ቲ ዝተዓወተ ሰልፊ ምዃኑ ይግመት። ብመሰረት ገምጋም ራይ-ቲቪ ፡ እቶም ሰለስተ ሰልፍታት ኣብቲ ዝተሓደሰ 400 መንበር ዘለዎ ቤት ምኽሪ፡ ካብ 227-257 ወንበር፣ ኣብቲ 200 ዝወንበሩ ሰነት ድማ ካብ 111-131 መናብር ክሕዙ ከም ዝኽእሉ ተፈሊጡ’ሎ። ሳልቪኒ፡ እቲ የማናዊ ሰልፊ ኣብ ክልቲኡ ባይቶታት ርኡይ ብልጫ ከምዘለዎ ገሊጹ። ብተወሳኺ ገምጋም ራይ-ቲቪ ከም ዘመልክቶ፡ እቲ ብሜሎኒ ዝምራሕ ጥምረት ማዕረ ክንደይ ዓብላሊ ክኸውን ከምዝኽእል ብምግላጽ፣ ሰልፊ ማእከላይ-ጸጋም ኣብ ቤትምኽሪ ካብ 78-98 መናብር፡ ኣብ ሰነት ድማ 33-53 ጥራይ ክሕዝ እዩ።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c0vgyypv7q1o"} {"headline":"ስደተኛታት ከምዘይትፈቱ ዝዘረበላ ሜሎኒ መራሒት ኢጣሊያ ናይ ምዃን ተኽእሎ ኣለዋ","content":"መራሒት ውድብ ሕሉፍ የማናዊ 'ኣሕዋት ኢጣሊያ' ዝኾነት ጆርጅያ ሜሎኒ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ መረጻ ተዓዊታ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ናይ ምዃን ሰፊዕ ዕድል ከምዘለዋ ተገሊጹ። ንሳ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣሊያ ካብ ሊብያ ስደተኛታት ጽዒነን ኣብ ልዕሊ ዝመጽኣ ጀላቡ ዕግታ ክግበር ብምጽዋዕ እያ እትፍለጥ።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3g4yyvgndzo"} {"headline":"ኤርትራዊ-ስዊድናዊ ኣብ ዞባውን ከባብያውን ምርጫታት ተዓዊቱ","content":"ንሰልፊ 'ሶሻል ደሞክራትስ' ብምውካል ኣብ ዞባዊ ምርጫ ዝተሳተፈ ኤርትራዊ-ስዊድና ተዓዊቱ። ዑስማን ሰይድዓብደላ፡ ንዞባ 'ቫስተርኖርላንድ' (Västernorrland) ብምውካል'ዩ ተወዳዲሩ። ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ክራምፎርስ (Kramfors) ተወዳዲሩ ከምዝተዓወተ'ውን ዑስማን ንቢቢሲ ሓቢሩ። እቲ መንሰይ ፖለቲከኛ ድሕሪ ምዕዋቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንዝመጽእ ኣርባዕተ ዓመታት ከምዘገልግል ብምጥቃስ፡ ንደገፍቱ ዘለዎ ምስጋና ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገሊጹ። \"ኣብ ዞባን ከምኡ ውን ኣብ ኮሙን ድምጽኹም ብምሃብ ንዝገበርኩምለይ ደገፍ ሓጎሰይ ወሰን የብሉን፣ ኣዝየ ድማ የመስግነኩም። ንዝቕጽሉ ኣርባዕተ ዓመታት ንሶሻል ዲሞክራትስ ኣብ ዞባ Västernorrland ንኮሙን ወኪል ከም ፖለቲከኛ ኮይነ ክሰርሕ እየ። \"ንዓይ ትርጉም ፖለቲካ ሓቢርካ ምስራሕ ስለዝኾነ ምስ ናይ ሰልፊ ብጾተይ ብምትሕብባር ኣብ ዝቕጽል ምርጫ ንምዕዋት ንዝሓሸ ኮሙንን ዞባን ሽወደንን ብምፍጣር ካብ መረጽቲ ዝያዳ እምነት ንምርካብ ክንቃለስ ኢና\" ኢሉ። ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ ድማ፡ ንፓርላማንታዊ መንበር ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ተወዳዲሩ እንተዘይተዓወተ'ኳ ካብቶም ሓሙሽተ ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸቡ ክኸውን በቒዑ ነይሩ'ዩ። እቶም ኣርባዕተ ቅድሚት ዝተሰርዑ ኣባላት ባይቶ ከምዝኾኑ ዑስማን ተዛሪቡ። እቲ ኣካል ፖለቲካ ስዊድን ክኸውን ወጢኑ ተላዒሉ ዘሎ ዑስማን፡ ኣባል ክልተ ባይቶታት (ዞባዊን ከባብያዊን) ኮይኑ ከገልግል'ዩ። ኣብታ ሃገር ከም ብዓል ኣርሀ ሓመድናካን ሙሴ ኤፍረምን ዝበሉ ሓያሎ ካብ ኤርትራ ዝተወለዱ ስዊድናውያን፡ ኣባላት ፓርላማን ባይቶታትን ኣመሓደርቲ ከተማታትን ክኾኑ ምብቅዖም ይፍለጥ። ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት'ውን ኤርትራውያን ስደተኛታት ንኣባልነት ባይቶታት ክወዳደሩን ክዕወቱን ጸኒሖም'ዮም። ስዊድን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘዕቆበት ሃገር ምዃና ይግለጽ።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cp0y4n21lyqo"} {"headline":"ትራምፕ፡ ሓዳስ መጽሓፍ እተቃልዖ 8 ሓቅታት","content":"ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ንጓሉን ሰብኣያን ካብ ስርሓ ክባረሩ ወሲኑ ከምዝነበረን ሕጋዊ ሰነዳት ናብ ዓይኒ ምድሪ የእቱ ምንባሩን ተቓሊዑ። እዚታት፡ ኣብታ ሎሚ ሰሉስ እትዝርጋሕ፡ ብብዙሓት ትጽቢት ዝግበረላ ዘሎ፡ ጋዜጠኛ ኒውዮርክ ታይምስ ማጊ ሃበርማን ዝጸሓፈታ መጽሓፍ 'ኮንፊደንስ ​​ማን' ተጋሂዱ ኣሎ። እታ መጽሓፍ፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኒውዮርክ ነጋዳይ ካብ ዝነበረሉ እዋን ጀሚሩ ክሳብ ድሕሪ ፕረዚደንትነት ዘሎ ህይወቱ ዘጠቓልል እዩ። እቲ ጸሓፋይ፡ ልዕሊ 200 ምንጭታት ቃለ-መጠይቕ ዝገበረ ኰይኑ፡ ሓገዝቱ-ነበር ሓዊሱ ምስ ባዕሉ ትራምፕ ካብ ዝተገብረ ሰለስተ ቃለ-መጠይቓት'ውን ዘጠቓለለ እዩ። እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ንሃበርማን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢኡ፡ እታ መጽሓፍ \"ብዙሓት ሓቅነቶም ዘይተረጋገጸ ዝተፈብረኹ ዛንታታት\" ከምዘለዋ ብምጥቃስ ነቲ ጸሓፋይ ድሂሉ ጽሒፉ። ኣብታ መጽሓፍ ዝተጋህዱ ሸሞንተ ዓበይቲ ነገራት 'ኮንፊደንስ ​​ማን' እምበኣር እዞም ዝስዕቡ እዮም። ሃበርማን፡ ምስ ናይ ሽዑ ሓላፊ ቤተ መንግስቲ ጆን ኬሊን ጠበቓ ዋይት ሃውስ ዶን ማክጋንን፡ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ሚስተር ትራምፕ ጓሉ ኢቫንካን ናኽራዩ ጃረድ ኩሽነርን ተባሪሮም ኢሉ- ኣብ ትዊተር ክዝርግሕ ሓሲቡ ከምዝነበረ ኣቃሊዑ። ክልቲኦም፡ ላዕለዎት ሓገዝቲ ዋይት ሃውስ ዝነበሩ እዮም። ሚስተር ኬሊ፡ ትራምፕ ቅድሚ ነቲ ትዊተር ምጥቅዑ፡ መጀመርታ ምስ ኢቫንካን ሚስተር ኩሽነርን ክዛረብ መኺርዎ። ሚስተር ትራምፕ ምስኦም ተዘራሪቡ ኣይፈልጥን፡ ክልተኦም ድማ ክሳብ መወዳእታ ፕረዚደንትነቱ፡ ሓገዝቲ ዋይት ሃውስ ኰይኖም ጸኒሖም። ሚስተር ትራምፕ፡ ሓደ እዋን ኩሽነር ኣብ 2017 ዝሃቦ ህዝባዊ መደረ ምስ ሰምዐ፡ \"ቍልዕነቱ ኣይወደአን\" ዝብል ርእይቶ ከምዝሃበ'ውን እታ መጽሓፍ ትገልጽ። ሚስተር ትራምፕ፡ ንኢቫንካን በዓል ቤታን ካብ ስርሖም ክባረሩ ደልዩ ከምዘይፈልጥ ነጺግዎ። \"ጽሩይ ልበ-ወለድ፣ ናብ ኣእምሮይ እኳ መጺኡኒ ኣይፈልጥን\" ኢሉ። ሃበርማን፡ ትራምፕ፡ ቤተ ፈተነታት ዕጸፋርስ ሜክሲኮ ናይ ምድብዳብ ሃቐነ ብዙሕ ግዜ ከምዘልዓለ ጽሒፉ። እዚ ሓሳብ እዚ፡ ንሚኒስተር ምክልኻል ኣሜሪካ ነበር ማርክ ኤስፐር ዘደንጹ እዩ ነይሩ። እቲ ሓሳብ፡ ሚስተር ትራምፕ ምስ ሓላፊ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ኣመሪካ ብሬት ጂሮየር፡ ካብ ዝገበሮ ዕላል ዝመንጨወ እዩ። ሚስተር ጂሮየር፡ ከምቲ ልሙድ፡ ዩኒፎርም ተኸዲኑ ናብ ቤት ጽሕፈት ኦቫል ኣትዩ፡ ንሚስተር ትራምፕ ድማ ኣብ ሜክሲኮ ዘይሕጋዊ ዕጸፋርስ ዘፍርዩ መሳለጥታት ዘይሕጋዊ ንጥረ ነገራት ደው ንምባል፡ ዶብ ሰጊሮም ከይኣትዉ ጥቡቕ ሓለዋ ብምግባር ምክልኸል ከምዝከኣል ሓቢርሉ። ትራምፕ ንሚስተር ጂሮየር፡ ወተሃደራዊ መኮነን ኣምሲሉ ብጌጋ ብምርድኡ እዩ፡ ኣብቲ መሳለጥያታት ዕጸፋርስ ብቦምባታት ክድብደብ ሓሳብ ኣቕሪቡ። ከም ግበረ መልሲ ናይዚ ድማ፡ ዋይት ሃውስ ንሚስተር ጂሮየር ዩኒፎርሙ ተኸዲኑ ምእታው ደው ከብል ሓቲቱ። ትራምፕ ኣብ ጥቅምቲ 2020፡ ኮቪድ ኣብ ዝሓመመሉ እዋን፡ ኣብ ዋይት ሃውስ ዝነበሮ ኵነታት እናገደደ ብምምጽኡ፡ ከይመውት ፈርሑ ነይሩ። ምክትል ሓላፊ ስታፍ ቶኒ ኦርናቶ፡ ነቲ ፕረዚደንት ጥዕናኡ ዝያዳ እንተንቆልቊሉ፡ ቀጻልነት መንግስቲ ንምርግጋጽ ኣገባባት ከቐምጥ ከምዘለዎ ኣጠንቂቝ ነይሩ። ትራምፕ፡ እቲ ለበዳ ንምንእኣስ ሓያሎ ፈተነታት'ኳ እንተገበረ፡ እቲ ቫይረስ ምስሉን ፖለቲካዊ ድርኺቱን ብኣሉታ ይጸልዎ ከምዘሎ ተሰኪፉ ነይሩ። ሃበርማን፡ ትራምፕ ኣብ ጥቓኡ ንዝርከቡ ሓገዝቲ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከውጽኡ ከምዝሓተቶምን፡ ኣብቲ እዋን ኣመሓዳሪ ኒውዮርክ ዝነበረ ኣንድሪው ኩሞ ድማ ኣብ ቲቪ ብዛዕባ እቲ ቫይረስ ከይዛረብ ከምዝመኸሮን ይጽሕፍ። ትራምፕ ንሚስተር ኩሞ፡ \"ክንድዚ ዝኣክል ዓቢ ነገር ኣይትግበሮ፡ ጸገም ክተምጸኣልና ኢኻ\" ክብል ከምዝተዛረቦ እቲ መጽሓፍ ይሕብር። እታ መጽሓፍ ሃበርማን፡ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ነበር ትራምፕን መራሕቲ ዓለምን ዝተፈጸሙ ሓያሎ ርክባት ብዝርዝር ትገልጽ። ንኣብነት ትራምፕ ምስ ናይ ሽዑ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ተረዛ ሜይ ኣብ ዝገበሮ ናይ መጀመርታ ርክብ፡ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ኣልዒሉ፡ \"ገለ ሰባት ደገፍቲ-ህይወት እዮም፣ ገለ ሰባት ድማ ደገፍቲ-ምርጫ እዮም። ገለ ውቃጦ ዘለዎም እንስሳታት ንጓልኪ እንተዓሚጾማ እሞ ንሳ እንተጠኒሳ እሞ ሕሰብዮ\" ኢሉዋ። ብድሕሪኡ፡ ኣብ ዕላሉ ነቲ ኣርእስቲ ናብ ካልእ ቀይሩ፡ ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ፡ ኣብ ጥቓ ንብረቱ ኣብ ባሕሪ ዝካየድ ፕሮጀክት ንፋስ ከይትከል ብኸመይ ከምዝዕገት ኣዕሊሉዋ። ትራምፕ ኣብ ምርጫ 2020 ብፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ይሰዓር ከምዘሎ ምስተረጋገጸ፡ ንከንቲባ ከተማ ኒውዮርክ ነበርን ውልቃዊ ጠበቓኡ ሩዲ ጁልያኒን ደዊሉሎም። ንሱ፡ ካልኦት ጠበቓታቱ፡ ውጽኢት ምርጫ ንምግልባጥ ኣብ ዝገበሮ ጻዕሪ ድሕሪ ምእባዮም፡ \"ሕራይ ሩዲ ንስኻ ኢኻ ሓላፊ። ገለ ዘይተለምደ ግበር፣ ዝደለኻዮ ግበር፡ ኣነ ኣይግድሰንን\" ኢሉ። ትራምፕ ንሚስተር ጁልያኒ፡ \"ጠበቓታተይ ኣዝዮም ዘይረብሑ እዮም\" ከም ዝበለ እቲ መጽሓፍ ይሕብር። ብተወሳኺ ንጠበቓ ዋይት ሃውስ ፓት ሲፖሎን ብተደጋጋሚ ይነቅፍ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ሚስተር ትራምፕ ብክልሰ-ሓሳባት ውዲታዊ ከምዝተጸልወን፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣማኸርቲ ዝተደናገሩ ኰይኑ ዝስምዖም ጠበቓታት ከምዝደለየን እታ መጽሓፍ ትገልጽ። ትራምፕ ኣብ 2016 ጐስጓስ ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ነፋሪት ኰይኑ፡ ብኣካያዲ ጐስጓሱ ኮሪ ለዋንዶውስኪን ጸሓፊኡ ሆፕ ሂክስን፡ ዝኸፈሎ ግብሪ ኣመልኪቱ ብግልጺ ክነግር ተሓቲቱ። እዚ ጉዳይ እዚ ኣብቲ ናብ ዋይት ሃውስ ዝግበር ዝነበረ ንሕንሕ ከም ጸገም ዝረኣይዎ ጉዳይ እዩ። ትራምፕ፡ ቅድሚ ናብ ሃንደበታዊ ሓሳብ ምእታዉ፡ ንድሕሪት ምልስ ብምባል፡ መልሲ ከምዝሃበ ሃበርማን ይጽሕፍ'ሞ፡ \"እዋእ፡ ዝኸፍሎ ግብሪ ደኣ ኣብ ኦዲት ከምዘሎ ትፈልጥ እንዲኻ፡ ኵሉ ግዜ እየ ኦዲት ዝግበር\" ኢሉ። \"ስለዚ፡ እዚ ማለተይ እየ፡ ደሓን 'ድሕሪ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ኦዲት ኣብ ዘይህልወሉ እዋን ከፍልጥ እየ። ምኽንያቱ ኣብ ትሕቲ ኦዲት ፈጺመ ኣይክህሉን እየ።\" ካብ ሪቻርድ ኒክሰን ጀሚሩ፡ ኵሉ ፕረዚደንት ኣመሪካ ብወለንታኡ ናይ ግብሪ መመልከቲኡ የፍልጥ እዩ ነይሩ። ሚስተር ትራምፕ ፕረዚደንት ኣብ ዝዀነሉ ዓመት 750 ዶላር (662 ፓውንድ) ግብሪ ኣታዊ ፌደራል ከምዝኸፈለ፣ ኣብ 2020 ኒውዮርክ ታይምስ ዝተኻየደ መርመራ ኣረጋጊጹ። ሚስተር ትራምፕ፡ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሰራሕተኛታት ዋይት ሃውስ በብእዋኑ እቲ ሽቓቕ ሕጋዊ ማሕተም ብዘለዎ ወረቐት ከምዝተዓጽወን፡ ንሱ ከምዝደርበዮምን ይኣምኑ ነይሮም። ብተወሳኺ፡ ንሱ ሰነዳት ከምዝቐድድ'ውን ይግለጽ።እዚ ድማ ንሕጊ መዛግብቲ ፕረዚደንት ዝጻረር እዩ - እዚ ሕጊ እዚ ብሓደ ፕረዚደንት ዝፍጠር ወይ ዝተቐበሎ ሰነዳት ንብረት መንግስቲ ኣሜሪካ እዩ፡ ፕረዚደንትነት ምስተወድአ ድማ ሃገራዊ ስነዳ ኣሜሪካ ክሕዞ ኣለዎ ዝብል ሕጊ እዩ። እቲ ዝርዝር ሓበሬታ፡ ካብ ዋይት ሃውስ ሚስተር ትራምፕ ዝጠፍኡ ሰነዳት ብሃገራዊ ማህደር ኣብ ዝቐረበሉ ዘሎ ሰፊሕ ክስታት ኣብ ዘሎ እዋን'ዩ ዝወጽእ ዘሎ። ትራምፕ ካብ ስልጣኑ ምስ ወረደ ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ ርስቲ ማር-ኣ-ላጎ መዛግብቲ መንግስቲ ብምሓዝ ብሚኒስትሪ ፍትሒ ገበናዊ መርመራ እውን ይግበረሉ ኣሎ። ትራምፕ፡ ድሕሪ ምምራቝ ኣብ 2017 ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኮንግረስ፡ ሚስተር ትራምፕ ናብ ሓደ ዝተፈላለየ 'ጕጅለ ሰራሕተኛታት ዲሞክራት' ገጹ ብምቕያር፡ ኣገልገልቲ መሲሎምዎ፡ ከየስተብሃለ 'ዝብላዕ' ቁርሲ ከምጽኡ ሓቲቱዎም። ትራምፕ ከምኡ ዝበለ፡ ንሰራሕተኛታት ንሰኔተር ቻክ ሹመርን ተወካሊት ናንሲ ፔሎሲን ከም ዝዀነ እቲ መጽሓፍ ብዝርዝር ይገልጽ። ሃበርማን፡ ሚስተር ትራምፕ ተዛሪብዎ ዝተባህለ ጽልኢ ሕደጾታወነት ዝገልጽ ታሪኽ እውን ሰኒዱ ኣሎ።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cn4zvm0mnr9o"} {"headline":"ጻውዒት ሰላም ሲቪካዊ ማሕበራት ኢትዮጵያ ዝደንጐየ’ዶ ይኸውን?","content":"ኣብዚ ሰሙን፡ ልዕሊ 30 ሲቪካዊ ማሕበራት፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ደው ንኽብል ዝጽውዕ ጋዜጣዊ መግለጺ ንምሃብ ዝዓለመ መደብ'ኳ እንተነበሮም፡ ከምቲ ዝሓሰብዎ ኣይሰመረሎምን። እቲ ክልተ ዓመት ክመልኦ ሒደት ኣዋርሕ ዝተረፎ፡ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ፡ህይወት ብዙሓት ወሲዱ፡ ሚልዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ኣመዛቢሉ፡ ጠንቂ ማእለያ ዘይብሉ ሕሰም፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው፡ ዓመጽን ካልእን ኰይኑ  እዩ። እዚ እናዀነ ግን፡ እቶም ቅድሚ ገለ መዓልታት፡ ኲናት ደው ክብል ኣለዎ ዝበሉ ኣባላት 35 ሲቪካዊ ማሕበራት መልእኽቶም ንጋዜጠኛታት ከሕልፉ ኣይከኣሉን። እዞም ኣብ ዙርያ ሰብኣዊ መሰላትን ሰላምን ዝነጥፉ ትካላት፡ እቲ ክስተት ከም ዘሕዘኖም ገሊጾም። እቶም ማሕበራት “ህጹጽ ጻውዒት ሰላም” ኢሎም ኣብ ዝሰመይዎ መልእኽቲ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዘለዉ ኲናትን ጐንጽታትን ደው ክብሉ ይሓቱ። እዚ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ዝጸውዕዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ግን ወተሃደራውን ሲቪልን ዝተኸድኑ ኣባላት ጸጥታ ደው ከም ዘበልዎ ይዛረቡ። ቢቢሲ፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ መብርሂ ሓቲቱ’ዩ፤ እንተዀነ እቲ ኮሚሽን ዝፈልጦ ነገር ከም ዘይብሉ ገሊጹ። ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል ምላሽ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ግን ኣይሰመረን። ኣብ መንጐ መንግስትን ህወሓትን ሰላም ክወርድ ጻዕሪ ክገብር ዝጸንሐ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሉሴጉን ኦባሳንጆ ኣይሰመረሉን። ሓይልታት ትግራይ፡ እቲ ሕብረት ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለዘሻሩ፡ መንጐኛ ክኸውን ኣይክእልን፣ ይቀየረልና ዝብል መርገጺ ኣለዎም። በዚ መሰረት፡ ንመንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን መን ይሸምግሎም ዝብል ሕቶ ምላሽ ከይረኸበ፡ ዳግማይ ኲናት ተወሊዑ ኣሎ። እዚ ዘተሓሳሰቦም 35 ሲቪካዊ ማሕበራት፡ “ህጹጽ ጻውዒት ሰላም” ኣቕሪቦም። ማእከል መሰላትን ዲሞክራሲያዊ ዕብየትን፡ ሓደ ካብኣቶም'ዩ። ዳይሬክተር እዚ ትካል በፍቃዱ ሃይሉ፡ መብዛሕትኦም እቶም ትካላት ኣብ ዙርያ ሰብኣዊ መሰላት ዝሰርሑ ምዃኖም ገሊጹ። ንሱ ከም ዝብሎ፡ እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝርኣዩ ዘለው ጐንጺታት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዘውርድዎ ዘለው መጥቃዕቲ ብምቅዋም ዝቐረበ ጻውዒት ሰላም እዩ። “ዜጋታት፡ ንቕትለት፡ ስደት፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ተቓሊዖም፤ ናይ ምንቅስቓስ መሰሎም ተገዲቡ’ዩ ዘሎ። እዚ ብህጹጽ ብሰላማዊ መገዲ እንተዘይተፈቲሑ፡ ሃገራዊ ህልውናና ኣብ ሓደጋ ክወድቕ’ዩ ዝብል ስግኣት ኣሎና፡” ይብል። እቶም ትካላት፡ ነዚ መልእኽቲ ዝምልከት ብ1 ጳጉሜን 2014 ዓ.ም [ግእዝ] ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ሓደ ሆቴል መግለጺ ንምሃብ ተዳልዮም ከምዝነበሩን “ኣኽበርቲ ጸጥታ” ምዃኖም ብዝገለጹ ሰባት ከም ዝተኸልከሉን በፍቃዱ ይዛረብ። “ኣኽበርቲ ጸጥታ ኢና ዝበሉ ሰባት፡ ንሕና ኣብቲ መግለጺ እንህበሉ ሆቴል ቅድሚ ምብጻሕና፡ንሓለፍቲ እቲ ሆቴል እቲ መደብ ክካየድ የብሉን፡ ኢሎም ጠጠው ኣቢሎምዎ ጸኒሖምና። ብልክዕ መን’ዩ ከልኪሉና ግን ክሳብ ሕጂ ኣይፈለጥናን።” ይዅን’ምበር፡ ከምዚኦም ዝበሉ ስጕምታት፡ ጠንቂ ምጽባብ መድረኽን ምንቅስቓስን ሲቪካዊ ማሕበራት ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎ ሓቢሩ። እቶም ትካላት፡ ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘለዉጐንጽታት፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት፡ ሰብኣዊን ማሕበረ-ቍጠባውን  ቅልውላው ይፈጥሩ ኣለው ኢሎም። ብፍላይ፡ ኣብ ትግራይ እቶም ብሰንኪ ኲናት ዝተቛረጹ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ብህጹጽ ስርሖም ክጅምሩ ኣለዎም ብምባል፡ ኣብቲ ኲናት፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፈጸሙ ሓይልታትመርመራ ተገይሩ ተሓታትነት ክረጋገጽ ኣለዎ፡ ይብሉ። ማሕበር ጋዜጠኛታት ኣምሓራ’ውን ሓደ ካብ’ቶም፡ “ሓቀኛ፡ ሰላማውን ንዅሎም’ቶም ኣብቲ ጐንጺታት ዝሳተፉ ሓይልታት ዝሓቘፈ ዕርቅን ልዝብን” ክጅመር ዝሓተቱ ሲቪካዊ ማሕበራት እዩ። ዳይሬክተር እቲ ማሕበር፡ ኣየለ ኣዲስ [ዶ\/ር]፡ “እቲ ሕጂ ዘቕረብናዮ ጻውዒት፡ ንምሽምጋል ዘሎና እጃም ንምፍጻም’ዩ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። እቲ ኣብ ትግራይ ጀሚሩ ዝቕጽል ዘሎ ኣዕናዊ ኲናት ሓድሕድ ቅድሚ ምብርዑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ብርክት ዝበሉ ጐንጽታት ተላዒሎም’ዮም። በዚ ምኽንያት ኣማኢት ሰላማውያን ሰባት ግዳያት ብሄር ተኰር መጥቃዕታትን ምፍንቓልን ኰይኖም፡ ንብረት’ውን ዓንዩ እዩ። እዞም ግጭታት ጠንቂ ሞት ዓሰርተታት ኣሽሓት ኰይኖም፡ ኣብ ቁጠባን ፖለቲካን እታ ሃገር ኣሉታዊ ጽልዋ ፈጢሮም’ዮም ዝብል ኣየለ፡ እቲ ኲናት ጠጠው ክብል ይሓትት። “ኵሎም ሓይልታት ዝጀመርዎ ኲናት ጠጠው ኣቢሎም ክዘራረቡ ኣለዎም። ዜጋታት ናይ ምንባር መሰሎም ክኽበር ኣለዎ። ካብዚ ኲናት ዓወት ክርከብ ኣይንጽበን፤ ንሰላም ኢዶም ዝዝርግሑ ሓይልታት’ዮም ዝዕወቱ።” መስራቲትን ዳይሬክተርን ሲቄ ማሕበር ልምዓት ደቂ ኣንስትዮ ዝተባህለ ሃገራዊ ዘይመንግስታዊ ትካል ዝኾነት ዘርትሁን ተፈራ ብወገና፡ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት-2015 ኣብታ ሃገር ሰላም መጺኡ ክንርኢ ንትስፎ ኢላ። “መሰል ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ተሓልዩ፡ ብሰላም ወጺእና እንኣትወሉ፣ ዝተመዛበሉ፡ ጉድኣት ዝወረዶም ሰባት እግሪ ተኺሎም መሰሎም ተሓልዩ ናብ ሰላማዊ ህይወቶም ክምለሱ’ዩ ድልየትና፡” ትብል። “ጉዳይ እዛ ሃገር ኣብ ኢድ ተራጸምቲ ፖለቲካ ወዲቑ’ዩ። እቲ ክሳብ ሕጂ ዝወረደ ክሳራ ድማ ምድንጓይና ዘረጋግጽ’ዩ፡” ዝብል ዳይሬክተር ማሕበር ጋዜጠኛታት ኣምሓራ ኣየለ ኣዲስ፡ደንጕዩ’ውን እንተዀነ ጻውዒት ሰላም ግን ክቐርብ ኣለዎ፡ ኢሉ። ማሕበረሰብ ዓለም፡ ኣብ መንጐ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ሰላማዊ ዝርርብ ንኽግበርዝጀመሮ ጻዕሪ ተቛሪጹ ዳግም ኲናት ምውልዑ ከም ዘሕዘኖ ክገልጽ ጸኒሑ ኣሎ። “ኵሉ ንሰላም ክዝምር ኣለዎ፡” ዝብል ኣየለ፡ ማሕበሩ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዘላቒ ሰላም ንምምጻእ ዝሕግዙ ስራሓት ክሰርሕ ምጽንሑ ይዛረብ። በዚ መሰረት፡ ኣብ ክሊ ህንጸት ሃገርን ድልየት ህዝብን ዝምልከት ምስ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ክልል ኣምሓራ ብምዝታይ፡ ሃገራዊ ዕርቂ ንምምጻእ ዝሕግዙ ሓሳባት ከም ዘቕረቡ ሓቢሩ። ኣብዚ እዋን ኲናት ዳግም ምውልዑ ነቲ ቅድም ኢሉ ዝተጀመረ ጻዕሪ ሰላም’ኳ እንተዓንቀፎ፡ እቶም ተዋጋእቲ ወገናት ክዘራረቡ እንተኽኢሎም፡ ፍልልያት ክፍትሑ ይኽእሉ’ዮም ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ። “ምስቲ ዘሎ ህሉው ኵነታት፡ ህዝቢ ሰላም ከም ዝደሊ ግሉጽ’ዩ፤ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘካየድናዮም መድረኻት ዘተ’ውን ነዚ’ዮም ዘርእዩ፤ ኲናት ጠጠው ኢሉ ናብ ሰላም ንእቶ ይብል። ክልቲኦም ናብ ድርድር እንተኣትዮም ነዚ ንምዕዋት ዕድል ኣሎ ኢለ’የ ዝኣምን።” ዳይሬክተር ማእከል መሰላትን ዲሞክራሲያዊ ዕብየትን በፍቃዱ ሃይሉ ብወገኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጳጉሜን’ውን ተመሳሳሊ ጻውዒት ሰላም ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩ ተዛሪቡ። “ማዕከናት ዜና ግን እቶም ተጓነጽቲ ሓይልታት ንዝዛረብዎ ምግዋሕ’ዩ ዝሰልጠን። በዚ ምኽንያት ከኣ ጐሊሕና ክንርአ ኣይከኣልናን ንከውን እምበር ስቕ ኣይበልናን፡” ይብል። ብሕጂ ተስፋ ሰላም ይህሉ'ዶ? ንዝብል ሕቶ በፍቃዱ፡ \"ድልየት እንተሃልዩ፣ እወ!\" ኢሉ። \"እዚ ውልቃዊ ርእይቶይ'ዩ። እዚ ኲናት ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ዝበጽሓሉ እዋን ነይሩ'ዩ፤ ካብ ከምኡ ዝበለ ዓዘቕቲ ወጺእና ሰላማዊ ልዝብ ከም ሓደ ኣማራጺ ምርኣይ እንተኽኢልና፡ ሕጂ ናብኡ ዘይንምለሰሉ ኵነታት የለን ክብል ኣይክእልን። ድልየት እንተሃልዩ፡ እቶም ኵሎም ወገናት ናብ ሰላማዊ ኣማራጺ ምምላሶም ኣይተርፍን፡\" ይብል።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c728v41xnrmo"} {"headline":"ቴክሳስ: ስደተኛታት ናብ መንበሪ ገዛ ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ሰዲዳ","content":"ግዝኣት ቴክሳስ: ክልተ ስደተኛታት ዝጸዓና ኣውቶቡሳት ናብ ካብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ሰዲዳ። ኣመሓዳሪ ሪፓብሊካን ቴክሳስ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ዙርያ ስደተኛታት እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካዊ ክትዕ ኮነ ኢሉ እዩ ከምኡ ገይሩ። እቲ ምምሕዳር፡ ነቶም ስደተኛታት ናብ መንበሪ ገዛ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራት ካማላ ሃሪስ ብምልኣኽ ፡ ክትክተሎ ዝግባእ ተሪር ፖሊሲታት ስደተኛታት ኣዘኻኺሩ። እዞም ካብ ግዝኣት ቴክሳስ ዝመጹ ስደተኛታት፡ ኣብዚ ሰሙን ብሓሙስ ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝተላእኩ ኮይኖም፡ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ድማ፡ ፍሎሪዳ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ናብ ደሴት ማሳቹሰትስ ስደተኛታት ሰዲዳ እያ። ክልቲአን ግዝኣታት ብሪፓብሊካውያን ፖለቲከኛታት ዝመሓደራ ኮይነን፡ ስደተኛታት ናብ ብዲሞክራት ዝመሓደራ ግዝኣታት ምልኣኽ ድማ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ መይላ ኮይኑ ኣሎ። ቁጽሪ ናይቶም፡ ብዶብ ኣመሪካን ሜክሲኮን ዝኣትዉ ስደተኛታት እናነሃረ ብምምጽኡ እቲ ፖለቲካዊ ወጥሪ እናወሰኸ መጺኡ ኣሎ። ብፍላይ ከም ቴክሳስን ኣሪዞናን ዝኣመሰላ ግዝኣታት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ናብ ከም በዓል ቺካጎ፡ ኒውዮርክን ዋሽንግተን ዲሲን ዝኣመሰላ ከተማታት ብምልኣኽ፡ ሕጊ ኢሚግሬሽን ዕሽሽ ከምዝተብሃሉ ከርእያ ዝደለያ ይመስላ።\\n\\nእዚ መይላ ግን፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ክብዳሕ ከምዝኽእል ክኢላታት ሕጊ ይዛረቡ እዮም፡ እንተኾነ ግን ቀጺሉ እንታይ ከምዝግበር ንጹር ኣይኮነን።\\n\\nኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ማሳቹሰትስን ዝርከቡ ተሓለቕቲ ጉጅለታት ስደተኛታት፡ ብዛዕባ እቲ ምስጓግ ኣቐዲሙ ከምዘይተነግሮም ገሊጾም።\\n\\nፎክስ ኒውስ፡ ካብ 75 ክሳብ 100 ዝዀኑ፡ ካብ ቬንዙዌላ ዝመጹ ስደተኛታት ዝጸዓና ክልተ ኣውቶቡሳት፡ ኣብ ኣፍ ደገ መንበሪ ገዛ ምክትል ፕረዚደንት ጠጠው ኢለን፡ ሻንጣ ከራግፋ እንከለዋ ኣርእዩ።\\n\\nጸኒሑ ድማ ሓደ ዘይመንግስታዊ ትካል መጺኡ ናብቲ ቤተክርስትያን ከም ዘግዐዞም ተገሊጹ።\\n\\n\"ካማላ ሃሪስ 'ዶብና ውሑስ እዩ' ብምባል፡ ነቲ ቅልውላው ትኽሕዶ ኣላ\" ክብል ኣመሓዳሪ ቴክሳስ ግረግ ኣቦት ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።\\n\\nንሱ፡ ወሲኹ፡ \"ምምሕዳር ባይደን ስርሑ ክሰርሕን ዶብ ከውሕስን ንምዝኽኻር ኢና፡ ስደተኛታት ናብ ሕጎኣ [ሃሪስ] ንሰደላ ዘለና\" ኢሉ። ካብቶም ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝነበራ ኣውቶቡሳት ዝነበሩ ስደተኛታት፡ ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልታት ብማእከላይ ኣመሪካን ሜክሲኮን ኣቢሎም ድሕሪ ዝገበርዎ ኣጸጋሚ ጉዕዞ ናብ ኣመሪካ ዝኣተዉ፡ ዴሊንየር መንዶዛን መጻምዱ ማይቤልን ዝበሃሉ መንእሰያት ቬንዙዌላውያን ይርከብዎም። ሰበስልጣን ቴክሳስ ነቶም መጻምድቲ ናብ ዋሽንግተን ከም ዘምርሑ ክነግርዎም እንከለዉ፡ እዞም መጻምዲ ኣብ መንበሪ ገዛ ምክትል ፕረዚደንት ከም ዘለዉ ብጋዜጠኛታት ምስ ተነግሮም ጥራይ እዮም ፈሊጦም። ማይቤል፡ \"ንሕና ይፈለጥኩን። ብዛዕባ እዚ ካባኻትኩም ኢና ንሰምዕ ዘለና... ተረሲዕና ኢና ዘለና፤ ኣበይ ከም ዘለና ኣብዚ ክንዛወር ኢልና ሓሲብና ነይርና\" ኢላ። እዞም ጽምዲ፡ ናብ ኣባላት ስድረኦም ቅድሚ ምኻዶም፡ ናብ ሓደ ናይቲ ከባቢ ሰብኣዊ ትካል ክኸዱ መደብ ከምዘለዎም ገሊጾም። ካልእ ስደተኛ ኩባዊ ዜጋ ሊዮናርዶ ፐርዶሞ፡ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ሰበስልጣን ናብ ዋሽንግተን ‘ብነጻ’ ክሓልፍ ድሕሪ ምፍቃዶም፡ ኣብ ቴክሳስ ኣብ ኣውቶቡስ ከምዝተሰቐለ ገሊጹ። ነቶም ስደተኛታት እትሕግዝ ወለንተኛ ናይቲ ከባቢ ካርላ ቡስቲሎስ፡ ትካላት ስደተኛታት ብዛዕባ እቶም ዝመጹ ሰባት ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ጥራይ ከምዝተነግረን ገሊጻ። \"እዚ ፖለቲካዊ ምርኢት ክንገብር ከለና፡ ደቂ ሰባት ስቓዮም ዝምዝመዝ ዘሎ ኮይኑ ይስመዐና ኣሎ\" ኢላ።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cjkn8m0xk06o"} {"headline":"ትራምፕ ኣብ ገዛኡ ሓቢእዎ ንዝተባህለ ሰነዳት ዝምርምር ዳኛ ተሰይሙ","content":"ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ካብ ስልጣን ክወርድ እንከሎ ናብ መንበሪ ገዛኡ ወሲድዎ’ዩ ዝተባህለ ሚስጢራዊ ሰነዳት ዝምርምር ፍሉይ ዳኛ ተሸይሙ። ወዲ 78 ዓመት ዳኛ ሬይመን ዲሪ፡ ጠበቓታት ትራምፕ ብመሰረት ዘቕረብዎ ጠለብ እዩ ነቲ ጉዳይ ክምርምር ሓላፍነት ተዋሂቡዎ ዘሎ። ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ድማ ነቲ ጠለብ ተቐቢልዎ። ትራምፕ፡ ልዑል ሃገራዊ ምስጢር ዝሓዙ ዝተባህሉ ሰነዳት ሓቢኡ ብዝብል ፖሊስ ኣብ መንበሪ ገዛኡ ተፍትሽ ከም ዝገበረ ይዝከር። ሰብ መዚ ፍትሒ እታ ሃገር፡ እቶም ሰነዳት ትራምፕ ካብ ስልጣን ክወርድ እንከሎ፡ ናብ ሃገራዊ ቤት ግምጃ ከረክቦም ይግባእ ነይሩ ይብሉ። ንሱ ግን፡ ከም ፕረዚደንት ምስጢራዊ ሰነዳት ሒዙ ከም ዝነበረን ብምስጢር ኣብ ገዛኡ ከም ዘቐመጦምን ብምግላጽ ጌጋ ኣይፈጸምኩን ይብል። ኣብዚ ግዜ፡ ጠበቓታት ትራምፕ ክልተ ጠለባት ዘቕረቡ ኰይኖም፡ እቲ ሓደ ቤት ጽሕፈት መርመራ ኣሜሪካ፡ እቶም ሰነዳት ምምርማር ደው ከብል ዝብል እዩ። እቲ ኻልኣይ ድማ፡ እቲ ጉዳይ ብዘይሻራዊ ኣካል ክርአ ኣለዎ ይብል። በዚ መሰረት፡ ኣብዚ ወርሒ ዳኛ እቲ ቀዳማይ ጠለብ ተቐቢሉ ፍሉይ ዘይሻራዊ መርማሪ ክሳብ ዝሽየም መንግስቲ ኣሜሪካ እቶም ሰነዳት ንኸይምርምር ደው ኣቢልዎ ጸኒሑ። ትማሊ ሓሙስ ድማ፡ ዳኛ ፌደራል ኣሜሪካ ኤሊን ካነን፡ ዲሪ ፍሉይ መርማሪ ዳኛ ገይራ ሸይማ። ደገፍቲ ዶናልድ ትራምፕ፡ ክፍሊ ፍትሒ ዝኽተሎ ዘሎ መገዲ ሽርሒ ዲሞክራት’ዩ ይብሉ። በዚ ምኽንያት፡ ትራምፕ ኣብ መጻኢ ፕረዚደንታዊ መረጻ ንኸይወዳደር ንምትዕንቓፍ ኰነ ተባሂሉ ዝተኣልመ ሽርሒ እዩ ዝብል ክሲ ኣቕሪቦም ነይሮም። እቲ ሕጂ ዝተሾመ ዳኛ ሬይመን ዲሪ፡ እቶም ሰነዳት ካብ ኤፍቢኣይ ወሲዱ ብምርማር ውሳነ ክህብ ትጽቢት ይግበር። እዚ ውሳነ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ነቶም ኣብ ልዕሊ እቶም ሰነዳት ዝገብሮ መርመራ ይቐጽል’ዶ ደው ይበል ዝብል ዝውስን ክኸውን እዩ። ኣብ ዝሓለፈ 8 ነሓሰ 2022፡ ኤፍ.ቢ.ኣይ ኣብ ፍሎሪዳ ዝርከብ ገዛ ትራምፕ ዘካየዶ ፈተሻ፡ ዓሰርተ ሓደ ስሩዕ ምስጢራዊ ፋይላት ምውሳዱ ተገሊጹ ምንባሩ ይዝከር። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ'ውን ኣብ ፍሎሪዳ ዝርከብ ገዛኡ ብኤፍ.ቢ.ኣይ (ፌደራል ቢሮ መርመራ) ከም ዝተዘምተን ማዕጾኡ ከም ዝተሰብረን ገሊጹ ነይሩ።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cpeydgy8lqvo"} {"headline":"ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ ክትከውን ዝተመረጸት ሊዝ ትራስ መን እያ?","content":"ሊዝ ትራስ ጓል ሸውዓተ ዓመት እንከላ፡ ኣብ ቤት ትምህርታ ኣብ ዝተኻየደ ከይዲ መረጻ ኣብ ዘርኢ ድራማ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ነበር ማርጋሬት ታቸር ኰይና ተዋሲኣ። እንተዀነ ከምታ ኣብ 1983 ብዝለዓለ ድምጺ ዝተዓወተት ታቸር፡ ኣይተዓወተትን። ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት “ነቲ ዕድል ክጥቀመሉ ወሲነን ካብ ልበይ ዝመንጨወ መደረታት ምረጹኒ ኣስሚዐን፤ እንተዀነ ባዶ ድምጺ እየ ረኺበ። ንባዕለይ'ኳ ድምጺ ኣይሃብኩን” ክትብል ትዝክር። ድሕሪ 39 ዓመታት ግን ኣሰር ናይታ ‘ሓጺናዊት’ እናተባህለት እትጽዋዕ ማርጋሬት ታቸር ስዒባ መራሒት ዓቃባዊ ሰልፊን ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያን ኰይና። እታ ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ንመናሓንሕታ ሪሺ ሱናክ ኣብ ሓሙሽቲኦም ዙራት በሊጻቶ። ምስ መዛኑኣ ርክባ ክተደልድልን ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ኣብ ዘሕለፈን ናይ መወዳእታ ሕማቕ እዋናቱ እምንቲ ኰይና ዝጸንሐትን ትራስ፡ ከምእትዕወት ብዙሓት ገሚቶም ነይሮም። ከምቲ ብዙሓት ዝገመትዎ ግን እቲ ፍልልይ ገፊሕ ኣይነበረን። 57 ሚእታዊት ድምጺ ዝረኸበት ትራስ፡ ብብዙሕ መገዲ ምችእቲ ዓቃባዊት ኣይኮነትን። ሜሪ ኤልሳቤጥ ትራስ፡ ብ1975 ኣብ ኦክስፎርድ ተወሊዳ። ፕሮፌሰር ሕሳብ ዝነበረ ኣቦኣን ነርስ ኣደኣን ‘ጸጋማውያን’ ምንባሮም ትገልጽ። ኣደኣ ኣብ ንእስነታ ኣንጻር ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ኲናት ይካየዱ ኣብ ዝነበሩ ተቓውሞታት ትሳተፍ ነይራ። እዚ ድማ ምስ ቅዋም መንግስቲ ማርጋሬት ታቸር ዝጓነጽ ነይሩ። ሓዋ ምስ ቢቢሲ ራድዮ ፎር ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት፡ ቤተሰቡ ናይ ቦርድ ጸወታ ይፈትዉ ከምዝነበሩን ክትሰዓር ዘይትፈቱ ትራስ ድማ ተጻዊታ ካብ እትሰዓር ዘይምጽዋት ትመርጽ ምንባራ ገሊጹ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ምስታፍ ዝጀመረት ትራስ፡ ኣብ መጀመርታ ኣባል ሊበራል ዲሞክራትስ እያ ነይራ። እቲ ሰልፊ ኣብ 1994 ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ ንምፍራስ ዘውዳዊ ስርዓት ደጊፋ ተዛሪባ ነይራ። “ንሕና ሊበራል ዲሞክራትስ ንዅሉ ማዕረ ዕድል ኣብ ዝብል ኢና እንኣምን። ሰባት መራሕቲ ኰይኖም ይውለዱ ኢልና ኣይንኣመንን።” ሊዝ ትራስ ኣብ ኦክስፎርድ እናሃለወት እያ ናብ ዓቃባዊ ውድብ  ቀዪራ። ድሕሪ ምረቓ ኣብ ሼልን ኬብል ኤንድ ዋየርለስን ኣካውንታንት ኰይና ሰሪሓ፤ ኣብ 2000 ከምኣ በዓል ሞያ ሕሳብ ምስ ዝነበረ ሁፍ ኦሊሪ ተመርዕያ። ክልተ ቈልዑ እውን ወሊዶም። ኣብ 2001ን 2005ን ኣባል ዓቃባዊ ሰልፊ (ቶሪ) ንምዃን ተወዳዲራ ተሳዒራ። ኣብ 2006 ግና ቀኒዕዋ፤ ካብ 2008 ጀሚራ ድማ ራይት ኦፍ ሰንተር ንዝተባህለ ቲንክታንክ ክትሰርሕ ጀሚራ። ኣብ 2010 መራሒ ዓቃባዊ ፈልፊ ዝነበረ ደቪድ ካሜሩን ንሊዝ ትራስ ካብቶም ኣብ ቅድሚት ዝሰረዖም ተወዳደርቲ ገይሩ መሪጽዋ። ኰይኑ ግን ምስ ዓቃባዊ ኣባል ቤት ምኽሪ ማርክ ፊልድ ፍቕራዊ ርክብ ከምዝነበራ ምስተፈለጠ፡ ካብ ዝርዝር ተወዳደርቲ ክትእለ ጐስጓስ ተጀሚሩ። እቲ ጐስጓስ ስለዘይሰመረ ግን 13 ሽሕ ድምጺ ብምርካብ ኣባል ቤት ምኽሪ ኰይና ተዓዊታ። ኣብ 2010 ምስ ዝተመረጹ ኣርባዕተ ኣባላት ቤት ምኽሪ ብምዃን ዝጸሓፈቶ ‘ብሪጣንያ ኣንቸይንድ’ ዝብል መጽሓፍ፡ ካብ ዓቃባውያን ከም ቀንዲ ጎስጓሲት  ነጻ ዕዳጋ  ኰይና ክትረአ ገይርዋ። ኣባል ቤት ምኽሪ ኰይና ድሕሪ ምምራጻ ድሕሪ ክልተ ዓመት ሚኒስተር ትምህርቲ ኰይና ዝተመረጸት ሊዝ ትራስ ኣብ 2014 ድማ ጸሓፊት ክሊማ ኰይና ተሸይማ። ኣብ ጋዜጣ ዘ ሳን ብረግዚት ኣመልኪታ ኣብ ዝጸሓፈቶ ሊዝ ትራስ፡ ብረግዚት ቢሮክራሲ ዝበዝሖን ኣብ መሸጣ ምድንጓይ ዝፈጥርን እዩ ብምባል፡ ብሪጣንያ ኣብቲ ሕብረት ክትጸንሕ ከምዝግባእ ዝገልጽ ጽሑፍ ኣቕሪባ። እቲ ዝደገፈቶ ወገን ምስተስዓረ ግን፡ ሓሳባ ቀይራ ብረግዚት ነገራት ዝስርሓሉ መገዲ ንምቕያር ዕድል ከምዝፈጠረ ክትካታዕ ጀሚራ። ኣብ እዋን ተሬሳ መይ ጸሓፊት ፍትሕን ሓላፊት ቤት ግምጃን ኰይና ሰሪሓ። ቦሪስ ጆንሰን ኣብ 2019 ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ምስተመረጸ ድማ ጸሓፊት ዓለምለኻዊ ንግዲ ኰይና፤ እዚ ድማ ዓለምለኻዊ መራሕቲ ፖለቲካን ንግድን ክትረክብ ኣኽኢልዋ። ኣብ 2021 ጓል 46 ዓመት ምስኰነት፡ ካብቶም ኣብ ብሪጣንያ ዝለዓሉ ሓላፍነታት መንግስቲ ዝዀነ፡ ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ኰይና። ኣብ ጻንሒታ ኣብ ኢራን ተኣሲሮም ዝነበሩ ክልተ ኢራናውያን ብሪጣንያውያን ክፍትሑ ዝገበረት ኰይና፡ ብረግዚት ስዒቡ ኣብ ሰሜናዊ ኣየርላንድ ዘጋጠመ ጸገም ንምፍታሕ ዝወሰደቶ ገለ ክፋል ውዕል ብረግዚት ናይ ምፍራስ ስጕምቲ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ወቐሳ ኣስዒቡላ። ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ብዕቱብ ዝተቓወመት ትራስ፡ ንዩክረይን ደጊፎም ክዋግኡ ንዝደልዩ ብሪጣንያውያን ብምሕጋዝ እውን ትውቀስ። ንሳ ንመሪሕነት ዓቃባዊ ሰልፊ ዘካየደቶ ጐስጓስ ምረጹኒ'ውን ኣከራኻሪ ነይሩ። ቅልውላው ክብሪ ዋጋ ብኸመይ ከምእትፈትሕ ዝተሓተተት ሊዝ ትራስ፡ “ምጽዋት ብምሃብ ዘይኰነስ ናይ ግብሪ ጸቕጢ ብምቕናስ” ክትብል መሊሳ። መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ምስ ዞባዊ ዋጋ ዕዳጋ ንምትእስሳር ዝነበራ ትልሚ፡ ላዕለዎት ኣባላት ዓቃባዊ ሰልፊ ብዘቕረብዎ ካብ ለንደን ወጻኢ ዝነብሩ ሚልዮናት ሰራሕተኛታት ውሑድ መሃያ ክረኽቡ ዝገብር እዩ ዝብል ተቓውሞ ክትስርዞ ተገዲዳ። ንመራሒት ስኮትላንድ ኒኮላ ስተገን “ረአዩኒ በሃሊት” “ሸለል ክንብላ ይሓይሽ” ብምባላ እውን ኣዘራራቢት ኰይና ነይራ። ገለ ሰባት ሊዝ ትራስ ብኣከዳድናኣ ንማርጋሬት ታቸር ንምምሳል ከምእትፍትን ይገልጹ። ንሳ ግን ንደቂ ኣንስትዮ ፖለቲከኛታት ምስ ማርጋሬት ብምውድዳር ዝወሃብ ርእይቶ ከምእትቃወም ገሊጻ ነይራ።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c6pkz3nkekxo"} {"headline":"ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ዝርዝር ካብ መንበሪ ገዛ ዶናልድ ትራምፕ ዝተወስዱ ሰነዳት ዕላዊ ገይሩ","content":"ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብኤፍ.ቢ.ኣይ ካብ መንበሪ ገዛ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዝተወስዱ ፋይላት ዝርዝር ንህዝቢ ኣፍሊጡ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ምስጢራዊ ምልክት ዝተገብረሎም ዓሰርተታት ባዶ ማህደራት ሓዊሱ 33 ሳንዱቕ ሰነዳት ተወሲዶም እዮም። ብተወሳኺ ካብ ቤት ጽሕፈት ሚስተር ትራምፕ 'ምስጢር'ን 'ልዑል ደረጃ ምስጢር'ን ዝብል ምልክት ዘለዎም ሓያሎ ሰነዳት ከምዝተረኽቡ ይገልጽ። ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ምስጢራዊ መዛግብቲ መርመራ ዝግበረሉ ዘሎ ሚስተር ትራምፕ፡ ጌጋ ከምዘይፈጸመ እዩ ዝዛረብ። ድሕሪ’ቲ ኣብ 8 ነሓሰ 2022 ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ትራምፕ ዝተኻየደ ፍተሻ ዝተወስዱ ፋይላት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡ ፕረዚደንታት ኣመሪካ ካብ ስልጣኖም ክወርዱ እንከለዉ፡ ኩሉ ሰነዳቶምን ኢመይሎምን ናብ ሃገራዊ ማህደር [ናሽናል ኣርካይቭ] ከሰጋግሩ ኣለዎም። ትራምፕ፡ ኣብ ጥሪ 2021 ካብ ስልጣኑ ምስ ወረደ ካብ ዋይት ሃውስ ናብ ማር-ኣ-ላጎ ርስቱ ብምውሳድ መዛግብቲ ብዘይግቡእ ሒዙ ድዩ ኣይሓዘን ዝብል ክፍሊ ፍትሒ ምርምር የካይድ ኣሎ። ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ትራምፕን ጠበቓታቱን ብወለንታኦም ኣገደስቲ ሰነዳት ከቕርቡ ከምዘይከኣሉን፡ ከም ኣካል ናይቲ መርመራ ንምዕንቃፍ ዝግበር ጻዕሪ ድማ መዛግብቲ \"ክሓብኡ ወይ ክኣልዩ ከምዝኽእሉን\" ይኸሱ። ትራምፕ ግን፡ ነቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ሰነዳት ኣብ ማር-ኣ-ላጎ ኣብ ዝርከብ መኽዘን ብውሑስ መንገዲ ከምዝተዓቀቡ ይምጉት ኣሎ። እቲ ብዓርቢ ዝተገልጸ ዝርዝር ግን፡ ወከልቲ ኤፍ.ቢ.ኣይ ኣስታት 1500 ሰነዳት፡ ከምኡ’ውን ባዶ ዝተረኽቡ ምስጢራዊ ማህደራት ካብ ቤት ጽሕፈት ሚስተር ትራምፕ ከም ዝወሰዱ ይሕብር። እቲ ብዓርቢ ዝተገልጸ ዝርዝር ከምዘመልክቶ፡ ኣብቲ መኽዘንን ኣብ ቤት ጽሕፈት ሚስተር ትራምፕን፡ ብዙሓት ምስጢራዊ ሰነዳት ምስ ስእልታት፡ ቁራጽ ጋዜጣታት፡ \"ኣቑሑት ክዳውንቲ\/ህያብን\" ባዶ ማህደራትን \"ተሓዋዊሶም\" ዝቐረበ ጸብጻባት ይሕብሩ።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c9rkqp43kpeo"} {"headline":"ዓሌታዊ መጥቃዕቲ፣ ጎንጽን ኲናትን ዝበሓትዋ ዓመተ 2014","content":"ኢትዮጵያውያን ሓድሽ ዓመት 2014 ከብዕሉ እንከለዉ፡ እታ ሃገር ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት እያ ነይራ። ድሕሪ ሻድሻይ ሃገራዊ መረጻ፡ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝበዝሐ ወንበር ከም ዝረኸበ ተገሊጹ።ኣቦ-መንበር እቲ ውድብ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ከም ብሓድሽ ስልጣን ተረኪቡ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ሓይልታት ትግራይ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ብምፍናው፡ ንወልድያን ካልኦት ቦታታትን ተቖፃፂሮም። እቲ መጥቃዕቲ ናብ ከተማታት ደቡብን ሰሜንን ወሎን ካልኦት ከባቢታትን ብምስፍሑ፡ ብዕለት 23 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም [ግእዝ]፡ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተግባራዊ ዝኸውን ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣንቢሩ። እቲ ኣዋጅ፡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ክጸንሕ ዝተነብረ ኮይኑ፡ ዝተፈላለዩ ክልከላታትን ግዴታታትን ዝሓዘ እዩ። ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሮም ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተዋደደ መጥቃዕቲ ብምፍናዎም፣ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ሚሊሻ፣ ​​ፋኖን ብሓባር ክወፍሩ ፃውዒት ቀሪቡ። ንእሽቶ ጸኒሑ ድማ፡ ዝኸኣለ ዜጋ ኩሉ ናብ ግንባር ክስለፍ ጻውዒት ገይሩ ነይሩ። ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ ንፌደራል መንግስቲ ብሓይሊ ንምዕላው፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገብርዎ ዝነበረ ጉዕዞ ኣቀላጢፎም። ኣብ ደቡብ ወሎ እትርከብ ከተማ ደሴን ኢንዱስትርያዊት ከተማ ኮምቦልቻን ምስ ተቖፃፀሩን፡ ወሃቢ ቃል ማእከላይ እዚ ትግራይ፡ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ምስ ሓይልታት ኦነግ ሸኔ ከምዝተራኸቡ ኣግሂዱ ተዛሪቡ። ብዛዕባ ግስጋሰ ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ፡ ዝተሻቐሉ ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ዲፕሎማሲ፡ ንዜጋታቶም ካብቲ ከባቢ ለቒቖም ክወጽኡ፡ መጠንቀቕታ ኣውፂኦም እዮም። እቶም ሓይልታት፡ ደብረሲና ምስ ኣተዉ ግን ነገራት ክቕየሩ ጀሚሮም። ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣትዮም ሓያሎ ከባቢታት ዝተቖጻጸሩ ሓይልታት ትግራይ፡ ካብ ወደብ ጅቡቲ ናብ ማእኸል እታ ሃገር ብዓፋር ኣቢሎም ዘራኽቡ ቁልፊ መስመራት ክሕዙ ፈቲኖም፤ ኣይሰመረሎምን። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢዪ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ እቶም ስግኣት ዝፈጠርሉ ሓይልታት ፀረ-መጥቃዕቲ ወፍሪ ንምምራሕ፡ ናብ ግንባር ኲናት ከምዝወፈረ ተገሊጹ። ብድሕሪ እዚ፡ እቶም ተዋጋእቲ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 130 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ደብረብርሃን ጥቓ በጺሖም እንተነበሩ'ኳ፡ ከንሳሕቡ ተገዲዶም፤ ወይ ድማ ንድሕሪት ተደፊኦም። ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ፡ ብሓይልታት ትግራይ ተታሒዞም ዝነበሩ ከባብታት ዓፋርን ኣምሓራን ዳግም ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ናብ ትግራይ ከይቅፅል ትእዛዝ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ። ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ኲናት ዝተኣሳሰሩ ግህሰታት ዝምርምር ኮሚሽን ዝሸመሉ እዋን፡ ኣብዚ ዓመት እዩ። ነዚ ስዒቡ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይቲ ኮሚሽን ምምስራት ዝተቓወመ ዀይኑ፡ በጀት ከይምደቦ ንምዕጋት'ውን ተንቀሳቒሱ ኣይሰመረሉን። ድሕሪ ኣዋርሕ ግን፡ እቲ ኮሚሽን ፍቓድ መንግስቲ ኢትዮጵያ ረኺቡ፡ ኣባላቱ ናብ ኢትዮጵያ መፂኦም ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ተራኺቦም። ምስ'ቲ ደማዊ ኲናት ብዝተኣሳሰር፡ ናብ'ታ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት  ከምዝተፈጸመላ ዝግለጽ ክልል ትግራይ ክበጽሑ ግን ኣይተፈቐደሎምን። ኢትዮጵያ ምስ ኲናት ሓድሕድ ብዝተኣሳሰር ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ካብ 23 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ 14 ጋዜጠኛታት ከምዝኣሰረት፡ ዓለማዊ ተጣባቒ ጋዜጠኛታት [CPJ] ሓቢሩ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ እቲ ማእሰርቲ ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ እቲ ህፁፅ ኣዋጅ መሰረት ብምግባር \"ኣብ መንነት ዘትኮረ እዩ ዝመስል\" ክብል'ውን ነቒፉ ነይሩ። ካብቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ክልተ ጋዜጠኛታት መንግስታዊ ትካል ብሮድካስቲንግ ኢትዮጵያ (ኢቢሲ) ኣገልግሎት ሬድዮ ቋንቋ ትግርኛ፣ ዋና ኣሰናዳኢ ዩቱብ ቻነል ኡቡንቱ ቴሌቪዥን፣ ዋና ኣሰናዳኢ ተራራ ኔትወርክን መስረትቲ ሮሃ ተለቪዥንን ይርከብዎም። ብተወሳኺ፡ ሓደ ናይ ኣሶሴይትድ ፕረስ ናይ ቪድዮ ጋዜጠኛ፣ ሓደ ካሜራማንን፣ ሓደ ሪፖርተር ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽንን፡ ምስ ዕጡቓት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ጸብጻብ ብዝተኣሳሰር ፡ ተኣሲሮም እዮም። ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኩሎም ብሞየኦም ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ብቕልጡፍን ብዘይ ቅድመ ኩነትን ክፈትሑ CPJ ጸዊዑ ነይሩ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ህፃናትን ኣረጋውያንን ዝርከብዎም ተወለድቲ ትግራይ ብጃምላዊ ማእሰርቲ ይፍፀም ከምዝነበረ ዝገልጽ ፀብፃብ ዕላዊ ገይሩ። ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብዕለት 25 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ጸዲቑ፡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ክትግበር ዝጸንሐ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን፡ ብ18 ጥሪ 2014 ክለዓል ወሲኑ። ሎሚ ዓመት እውን ዓሌት መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ መልክዑ ቀይሩ ቀጺሉ እዩ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ብ24 ለካቲት 2014 ዓ.ም ኣብ ዞባ ቤንሻንጉል ወረዳ ጉባ ቀበሌ ኢሲድ ፡ ኣባላት ፀጥታ መንግስቲ ሰላማውያን ሰባትን ከምዝተቐትሉ ኣፍሊጡ። ብመሰረት ጸብጻብ ኢሰምኮ፡ እቶም ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ቀይዲ ዘእተውዎም፡ ሓደ ተወላዲ እቲ ከባቢ ዝርከቦም ዓሰርተ ተወለድቲ ትግራይ ብጥይት ቀቲሎም። እቲ ኮሚሽን፡ እቲ ቅትለት ካብ ፍርዲ ወጻኢ ምዃኑን፡ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ዝተሳተፍሉ ሓደ ብህይወት ዝነበረ ሰብ በሓዊ ናይ ምቅጻል ተግባር ከምዝተፈጸመን ገሊጹ። ኣብ ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ወለጋ፡ 11ን 27ን ሰነ 2014 ዓ.ም፡ ኣብ ክልተ ዝተፈላለዩ ወረዳታት፡ ብዕጡቓት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብዙሓት ተወለድቲ ኣምሓራ ተቐቲሎም። ሂዩማን ራይትስዎች፡ ኣብ ወርሒ ሰነ 2014 ዓ.ም፡ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ተወለድቲ ኣምሓራ ብዕጡቓት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ መጥቃዕቲ ንምክልኻል እኹል ፀጥታ ከምዘይሃቡ ገሊጹ። ካብ 23 ነሓሰ ክሳብ 25 ነሓሰ 2014 ዓ.ም፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋ ወረዳ ኡሙሩ፡ ብዕጡቓት ሓይልታት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 60 ሰባት ሞይቶም። ልዕሊ 70 ሰባት ከምዝቖሰሉን ልዕሊ 20 ሽሕ ሰባት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉን ኢሰማኮ ገሊጹ። ብግበረ ሽበራ ዝተበየነ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ኣብታ ክልል መጥቃዕቲ ፈጺሙ ተባሂሉ ብተደጋጋሚ ክኽሰስ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ እቲ ጉጅለ ግን ነዚ ክሲ ይነጽጎ። ብ13 ሓምለ 2014 ዕጡቓት ኣልሸባብ ኣብ ዶብ ዝርከባ ከተማታት ሶማልን ኢትዮጵያን መጥቃዕቲ ብምፍናው ብርቱዕ ውግእ ተኻይዱ። ምስ ኣልቃዒዳ ጥቡቕ ምትእስሳር ከምዝለዎ ዝዝረበሉን፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ከም ግብረሽበራዊ ዝረአን፡ ኣብ ጎረቤት ሃገር ሶማል ብሰፊሑ ዝንቀሳቐስን ኣልሸባብ፡ ኣብ ዶባዊ ከባቢታት ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ክፍጽም ንፈለማዩ እዩ። ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ዝወሰዱ ኾይኖም፡ ገለ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ኣል-ሸባብ ከምዝቐተሉ ይገልጹ። እቲ ጉጅለ፡ መቕተልቲ እቶም ላዕለዎት መራሕቱ ዝምልከት ጸብጻብ ዝነጸገ ዀይኑ፡ ዛጊድ ካብ ሳልሳይ ወገን ዝተብሃለ የለን። ፍሉይ ወረዳ ኮንታ፣ ዞባ ምዕራብ ኦሞ፣ ዞባ ቤንች ሸኮ፣ ዞባ ካፋ፣ ዞባ ዳውሮን ዞባ ሸካን ኣብዚ ዓመት ብዕሊ መበል 11 ክልል ኣቚሞም። እቶም ሓሙሽተ ዞባታትን ሓደ ፍሉይ ወረዳን፡ ምስ ሃገራዊ መረፃ ካብ ዞባ ደቡር፡ ካብ ክልል ደቡብ ወፂኦም ናይ ሓባር ክልል ንምፍጣር ድምፂ ሂቦም። ሃገራዊ ቦርድ መረፃ፡ ውፅኢት እቲ ረፈረንደም ብዕለት 28 መስከረም 2014 ዓ.ም ኣፍሊጡ እዩ። ኣብቲ ረፈረንደም ልዕሊ 1.3 ሚልዮን ሰባት ድምፂ ንምሃብ ከምዝተመዝገቡን ልዕሊ 1.2 ሚሊየን ድማ ድምፂ ከምዝሃቡን ሓቢሮም። ኣብዚ ዓመት ካብ ዝተልዓሉ ሕቶታት ክልልነት ሓደ ኣብ ዞባ ደቡብ ዝርከቡ ከባቢታት ወላይታ፣ ገዶ፣ ጋሞ፣ ጎፋ፣ ኮንሶን ደቡብ ኦሞን፣ ከምኡ እውን ፍሉያት ወረዳታት ደራሸ፣ ባስኬቶ፣ ኣለ፣ ቡርጂን ኣማሮን፤ ናይ ሓባር ክልል ንምምስራት ሕቶ ኣቕሪቦም ኣለዉ። እዘን ዞባታትን ፍሉያት ወረዳታትን በብቤት ምኽሪአን ኣቢለን ዘሕለፈኦ ውሳኔታት ናብ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኣቕሪበን፡ ተቐባልነት ረኺቡ ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ 15 መጋቢት2014 ዓ.ም ጀሚሩ ንዘይተወሰነ እዋን ዝፀንሕ፡ ናብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምምችቻው ንምብፃሕ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ። ብድሕሪ እዚ፡ ሓይልታት ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ እንተበፂሑ እቲ ጎንጺ ከብቅዕ ከምዝሰማምዑ ገሊፆም። እቲ ኲናት ደው ንምባል፡ ዝተፈላለዩ ኣካላት ንኽልቲኡ ወገን ናብ መኣዲ ልዝብ ክመጹ ጸቕጢ ክገብሩ ጸኒሖም እዮም።\\n\\nነዚ ስዒቡ መንግስቲ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ንምልዛብ ድልው ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ።\\n\\nብድሕሪ እዚ፡ መንግስቲ ፌደራል እቶም 7 ኣባላት ዘለዉዎ ጉጅለ ተደራደርቲ ኣፍሊጡ፣ ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም ብኣላይነት መንግስቲ ኬንያ ኣብ ዝካየድ ድርድር ንምስታፍ ድልዋት ምዃኖም ኣፍሊጦም። መንግስቲ ፌደራል እቲ ልዝብ ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ክካየድ ኣለዎ ክብል እንከሎ፡ ሓይልታት ትግራይ ግን ነቲ ተዋካሊ እቲ ሕብረት ስለዘይኣምንሉ፡ ብፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ክእለ ይመርጹ።\\n\\nእቶም ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዝተመረፁ 7 ወከልቲ መንግስቲ ማዕቀፍ ልዝብ ኣፍሊጦም።\\n\\nላዕለዋይ በዓል ስልጣን ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ግን፡ \"እቲ ኮሚቴ ሰላም፡ ንማሕበረሰብ ዓለም ንምትላል ይፅዕር ኣሎ\" ክብል መግለፂ እቲ ኮሚቴ ነቒፉ። መራሕቲ ትግራይ፡ ፈለማ ኣብቲ ክልል ተቛሪጾም ዝርእከቡ መሰረታዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ክምለሱ እዮም ዝጠልቡ። ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ትግራይ ተጸባዪ ህጹጽ ርድኤት ኮይኑ ከምዘሎ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት። ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ዝካየድ ውግእ፡ ድሕሪ ናይ 5 ኣዋርሕ ተኹሲ ምቁራጽ ተጋዲዱ ኣሎ።\\n\\nእቲ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ተኹሲ ምቁራጽ፡ ብ18 ነሓሰ 2014 ዝተጥሓሰ ዀይኑ፡ ዳግማይ መን ጀሚርዎ ንዝብል ነንሕድሕዶም ይካሰሱ። ኣብ መዳበውቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኲናት ይካየድ ኣሎ።\\n\\nመንግስቲ ፌደራል፡ \"ህዝባዊ ናዕቢ ከይፍጠር\" ሰራዊቱ ካብ ከተማ ቆቦ ከምዝወፀ እዩ ዝገልጽ። \\n\\nመራሕቲ ትግራይ ግን ነቲ ብሰራዊት መንግስቲ ዝተፈፀመ ዝበልዎ መጥቃዕቲ ንምክልኻል \"ወፍሪ ፀረ መጥቃዕቲ\" ከተማ ቆቦን ብርክት ዝበሉ ከባቢኣን ተቖፃፂሮም ከምዘለው ይዛረቡ።\\n\\nብድሕሪ እዚ ኣብ ምዕራብ ትግራይ፣ ዋግ ሕምራን ብገን ኤርትራን ሰፋሕቲ ኲናት ይካየድ ከዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ። ሓይልታት ትግራይ፡ ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተዋደደ ኲናት ከምዝተኸፈቶም ይኸሱ። ካብ ወገን ኤርትራ ነዚ ክሲ ብዝምለክት ዝተብሃለ የለን።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crgn6mrg10jo"} {"headline":"ደሃይ በዓል ገዛይ ካብ ዝስእን ሳልስቲ ኰይኑ' - በዓልቲ ቤት ፖለቲከኛ ሃይሉ ከበደ","content":"ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት) ሃይሉ ከበደ ደሃዩ ካብ ዝጠፍእ ሳልሳይ መዓልቱ ከምዘቑጸረ በዓልቲ ገዝኡ ገሊጻ። እቲ ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢ ናይቲ ውድብ ዝኾነ ሃይሉ ከበደ ደሃዩ ካብ ዝጠፍእ ሳልሳይ መዓልቱ ከምዘቑፀረ በዓልቲ ገዝኡ ኤደን ወልደተኽለ ንቢቢሲ ተዛሪባ። ኣብከተማ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከቡ ጣብያታት ፖሊስ ከይዳ እንተሓተተት’ውን ሃለዋቱ ክትፈልጥ ከምዘይከኣለት ገሊፃ። “ብዕለት 23 እዩ ኣጋጢሙ። ከባቢ ኣርባዕተ ሰዓት ካብ ገዛ ወጺኡ። ሰዓት ሓሙሽተ ምስ ሰባት ናይ ስራሕ  ቆጸሮ ነይርዎ። ብድሕሪኡ ‘ናብ ገዛ ክመጽእ እየ’ ኢሉ ነይሩ። ካብኡ ተደወልና ስልኩ ኣይለዓልን” ትብል ኤደን። ኣብ ቦሌ ኢምፐርያል ኣከባቢ ምስ መኪንኡ ናበይ ከምዝኣተወ ዘይፈለጠት ኤደን፡ ናብ ዝተፈላለዩ ጣብያ ፖሊስ ተንቀሳቒሳ እንተሓተት’ውን ሓበሬታ ክትረክብ ኣይከኣለትን። ኣብ ዝኸደቶ ኩሉ ‘ኣባና የለን’ ዝብል ምላሽ ከምዝረኸበት እያ ትዛረብ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ትማሊ ናብ ፖሊስ ጣብያ ገርጂ ከይዳ ምስ ሓተተት፡  “ምስ’ቲ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ጊዝያዊ ዝተሓዙ ሰባት ስለዘለዉ፡ በብቦትኡ ፈትኒ ኢሎምኒ። ኣነ ድማ  ‘ካብ ንጎሆ 12 ሰዓት ጀሚረ ምስ ኣዕርኽቱን ካልኦት ቤሰብን ኮይንና ኣሊሽና ደሃይ ኣይረኸብናን’ ኢለዮም” ብምባል፡ መመልከቲ ጥርዓን ንፖሊስ ከምዝሃበት ገሊጻ። “ምእሳር ዘሎ እዩ፡ እንተነኣሰ ግን [ዝርከበሉ] ቦታ እንተንፈልጥ ደስ ይብለና” ክትብል፡ እቲ ኩነታት  ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስድራኡ ኣስዒብዎ ዘሎ ጭንቀት ንቢቢሲ ኣንጸባሪቓ። ኣብዚጉዳይ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ደዊልና ንዳይሬክተር ህዝባዊ ርክባት ምኽትል ኮማንደር ማርቆስ ታደሰ ረኺብናዮ፤ ‘ሓበሬታ ከምዘይብሉ’ ተዛሪቡ። “ብወገነይ ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ ኣይበፅሓንን። ዳይሬክተር ህዝባዊ ርክባት እየ፤ ግን ድማ ዝበፅሓኒ ቅሬታ የለን። ምናልባት ናብ ካልእ ክፍሊ ከይዶም እንተኾይኖም ኣይፈለጥኩን። ናብዚ መፂኦም ቅርትኦም ከስምዑ ይኽእሉ እዮም። ምናልባት ኣብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ እዩ ዘሎ ኢሎም ዝግምቱ እንተኾይኖም እውን መፂኦም ክሓቱ ይኽእሉ እዮም” ኢሉ። ብተዛማዲ ዜና፡ ኣብዚ ቕነ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሰፊሕ ወፍሪ ፈተሻ ከምዝተጀመረን ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ ንማእሰርቲ ይቃልዑ ከምዘለዉ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት። ነዚ መሰረት ብምግባር ዝሓተትናዮ እቲ ምኽትል ኮማንደር፡ ብዛዕባ ማእሰርቲ ተወለድቲ ትግራይ ዝፈልጦ ነገር ከምዘየለ ተዛሪቡ። “ፈተሻ ብዝምልከት ኩልግዜ ዝካየድ እዩ። ኣብዚ እዋን ድማ ምስቲ ሃገርና ዘላትሉ ኩነታት ብዝተሓሓዝ ፈተሻ እንተተኻየደ ፀገም ዘለዎ ኣይኮነን። ሕብረተሰብ እውን ነዚ ክተሓባበር እዩ ዘለዎ። ብዙሓት ሰባት ትኽክለኛ ተግባር ከምዝኾነን እዋኑ ዝሓለወ ምዃኑን እዮም ዝገልፁልና ዘለዉ። ብዛዕባ እቲ ማእሰርቲ ግን ብወገነይ ሓበሬታ የብለይን” እቲ ምክትል ኮማንደር። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሓይልታት ትግራይ ንገለ ከባብታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ዝተቖጻጸርሉ እዋን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት እታ ሃገር ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ብመንነቶም ኣብ ቀይዲ ውዒሎም፡ ናብ ማእከላት መዳጎኒ ኣትዮም ምንባሮም ጸብጻበት የመልክቱ። ቢቢሲ’ውን ንገለ ኣባላት ስድራ ኣዛራሪቡ፡ ሰፋሕቲ ጸብጻባት ምስርሑ ዝዝከር እዩ። ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝነበሩ ዝተፈትሑ ዀይኖም፡ እዚ ሕዚ ከም ብሓድሽ ተጀሚሩ ዘሎ ግፋ፡ ምስ ምጅማር እቲ ዳግማይ ውግእ ዝተሓሓዘ ከምዝኾነ ይዝረብ።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cgrd7349zjno"} {"headline":"ዒራቕ፡ ደገፍቲ ሞቕታዳ ኣ’ሳድር ንቤተመንግስቲ ወሪሮም","content":"ኣብ ዒራቕ፡ መንግስቲ ንምቛም ኣብ ዝጸንሐ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ቅልውላው ሓደ ካብ ቀንዲ ተጠመትቲ ሰባት ኰይኑ ዝጸንሐን ኣብ ፖለቲካ 'ታ ሃገር ሓደ ካብቶም ጸለውቲ ፖለቲከኛታት ዝዀነን ሞቕታዳ ኣ'ሳድር፡ ካብ ፖለቲካዊ ህይወት ጥሮታ ይወጽእ ከምዘሎ ድሕሪ ምግላጹ፡ ደገፍቱ ንቤተመንግስቲ 'ታ ሃገር ዳግማይ ወሪሮም። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰዓብቲ ዘለውዎ ተሪር መራሒ ሺዓ ሞቕታዳ ኣ’ሳድር፡ ውሳነኡ ብትዊተር'ዩ ኣፍሊጡ። ነዚ ስዒቡ ደገፍቱ ንቤተመንግስቲ እታ ሃገር ድሕሪ ምውራሮም ብዝተፈጥረ ግጭት ሓያሎ ሰባት ከምዝሞቱ ይግለጽ ኣሎ። ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ቅልውላው፡ መንግስቲ ብዛዕባ ምቛም ኣብ ሓደ ስምምዕ ክብጻሕ ስለዘይተኻእለ፡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ንህንጻ ፓርላማ ዒራቕ ብምውራር፡ ንሰሙናት ኣብቲ ኣፍደገ ዓሪዶም ተቓውሞኦም ክገልጹ ተራእዮም እዮም። ሞቕታዳ ነዚ ሓድሽ ውሳነኡ ዘፍልጥ ዘሎ፡ ንዅሎም ‘ቶም ድሕሪ’ቲ ኣብ 2003 ብኣሜሪካ ዝምራሕ ወራር ዒራቕ ስዒቡ ኣብ ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ህይወት ዒራቕ ክነጥፉ ዝጸንሑ ውድባትን ፖለቲከኛታትን ጻውዒት ድሕሪ ምቕራቡ፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ፡ ፖለቲካዊ መላፍንቱ ዝበዝሐ ወንበር ክረክብ እንከሎ፡ ድሒሩ ግን ኣባላት ባይቶኡ ምስ ሓደ ተቐናቓኒ ሰልፊ ሺዓ ብዛዕባ 'ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ምምራጽ' ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ስለዘይከኣሉ ካብ ስልጣኖም ከም ዝወረዱ ይፍለጥ። ንውሳነኡ ኣመልኪቱ ኣ’ሳድር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ \"ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኢደይ ከየእቱ ወሲነ ኣለኹ፣ መወዳእታ ምውጻእ ጥሮታይን ምዕጻው ኵለን ትካላት “ሳድሪስት” ኸኣ እእውጅ\" ኢሉ። ገለ ምስ ምንቅስቓሱ ዝተኣሳሰራ ሃይማኖታዊ መርበባት ሓበሬታ ግን ክፉታት ኰይነን ክጸንሓ እየን። መንግስታዊ ማዕከን ዜና ዒራቕ ድሒሩ ከምዝሓበሮ፡ ኣ’ሳድር ክሳብ እቲ ዓመጽን ምጥቃም ኣጽዋርን ደው ዝብል ኣድማ ምሕሳም መግቢ ከምዘካይድ ኣፍሊጡ። ወዲ 48 ዓመት ሞቕታዳ ኣ’ሳድር፡ ንዝሓለፉ ክልተ ዕቝድ ኣብ ህዝባውን ፖለቲካውን ህይወት ዒራቕ ዓብላሊ ሰብ ኰይኑ ጸኒሑ'ዩ። እቲ ‘ማህዲ’ ዝተሰምየ ሰራዊቱ፡ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ሳዳም ሑሴን ንኣሜሪካን ንሓይሊ ልፍንታዊ መንግስቲ ዒራቕን ካብ ዝተዋግኡ ሓያላት ሚሊሻታት ኰይኑ ተቐልቂሉ። ድሒሩ ድማ ነቲ ሓይሊ፡ ‘ብርጌድ ሰላም’ ኢሉ ዳግማይ ክሰምዮ እንከሎ፡ ሕጂ ድማ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ንሓይልታት ምክልኻል ዒራቕ ዘቘሙ ዕጡቓት ሓይልታት ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። ሰራዊት ማህዲ ምስ ኢራን ርክብ’ኳ እንተነበሮ፡ ኣ’ሳድር ኣብቲ ዳሕረዋይ እዋን ብፍላይ ካብታ ጐረቤት ዒራቕ ዝዀነት ሺዓ -ኢራን ብምርሓቕ፡ ሃገሩ ካብ ዝዀነ ጽልዋታት ኣሜሪካን ኢራንን ሓራ ክትከውንን ምትእትታው ካልኦት ሃገራት ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ዒራቕ ከብቅዕ ዝቃለስ ‘ሃገራዊ’ ኰይኑ ነብሱ ደሪቱ ጸኒሑ እዩ። እቲ ምትህልላኽ ኣ’ሳድር ዝነበሮ ተቐናቓኒ ፖለቲካዊ ውድብ ሺዓ ዝዀነ ‘ስርዓት ምውህሃድ’ ብቐንዱ ብኢራን ዝድገፉ ሰልፍታት ዘወሃሃደ እዩ። እቲ ገዚፍ፡ ከቢብ ጸሊም ዕማመት ዘዘውትር፡ ጸሊም ሕብሪ ዓይኑን ግሩምን ዒራቓዊ ፖለቲከኛ ሞቕታዳ ኣ’ሳድር፡ ነቶም ብሽቕለት ኣልቦነት፡ ቀጻሊ ምቍራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ብልሽውናን ዝሳቐዩ ዘለው ተራ ዒራቓውያን ዝሕለቕን ናታቶም ተሪርን ሰፊሕን ደገፍ ዘለዎን እዩ። ንሱ፡ ኣብ ዒራቕ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ደገፍቲ ብቕጽበት ናብ ጐደናታት ከውሕዝን ከንቀሳቕስን ዝኽእል ኣዝዩ ጸላዊ ሰብ እዩ። ኣብ ሓምለን ነሓሰን ፓርላማ ዒራቕ ክልተ ግዜ ኣብ ሓደ ስምምዕ ክበጽሕ ብዘይምኽኣሉ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ደገፍቱ ተቓውሞኦም ንምግላጽ ንህንጻ ፓርላማ ወሪሮም ንሰሙናት ኣብኡ ዓስኪሮም እዮም።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c87kd77mgl8o"} {"headline":"ፕረዚደንት ዘለንስኪ ብኸመይ እዩ ናብ ዋሽንግተን ተጓዒዙ?","content":"መራሒ እታ ንዓመት መመላእታ ኣብ ኵናት እትርከብ ዩክረይን፡ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ናብ ኣመሪካ ተጓዒዙ። ጉዕዞ እቲ ፕረዚደንት ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ዩክረይንን ንዘሎ ኣገዳሲ ዝምድናን ሽርክነትን ዘርኢ ምልክት ምዃኑ ተገሊጹ። ፕረዚደንት ዘለንስኪ ብሰሉስ ኣብ ምብራቓዊ ዩክሬን ኣብ ዝርከብ ግንባር ድሕሪ ምብጻሕ ብለይቲ ብእትጓዓዝ ባቡር ዓዱ ናብ ፖላንድ ድሕሪ ምስጋር ናብ ኣመሪካ ኣምሪሑ። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን እቲ ፕረዚደንት ናብ ዋሽንግተን ዑደት ከምዘካይድ ክዝርጋሕ ጀሚሩ’ኳ እንተነበረ፡ ክሳብ ረቡዕ ንጉሆ ግን መዓስ ከምዝኸይድ ኣይተረጋገጸን ነይሩ። ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ መራሒ ዩክረይን ናብ ርእሰ ከተማ ኣመሪካ ብሰላም ንምእታው ኣብ መንገዲ ከምዘሎ ርግጸኛታት ምስ ኮኑ እዮም ክዛረቡ ጀሚሮም። እቲ መገሻ ንኣዋርሕ ክዝተየሉ እኳ እንተጸንሐ እቲ ምድላዋት ግን ኣብ መወዳእታ ብቕልጣፈ እዩ ተገይሩ። ክልቲኦም ፕረዚደንታት ብ11 ታሕሳስ ብዛዕባ መገሻ ከምዝተዛረቡን፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ድማ ንፕረዚደንት ዘለንስኪ ወግዓዊ ዕድመ ከም ዝተገብረሉን ተፈሊጡ። እትረፍ ኣብ እዋን ኵናት ንዝጓዓዝ ፕረዚደንት፡ ዋላ እውን ኣብ ሰላማዊ ኩነታት ዝርከብ ፕረዚደንት፡ ንመገሽኡ ብዝምልከት ጽኑዕ ጸጥታዊ ቁጽጽር ስለዘድሊ ብዛዕባ መገሻ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ዝኾነ ይኹን ወግዓዊ ሓበሬታ ዘይምዝርግሑ ዘገረም ኣይኮነን። ሚሳይላት ሩስያ ንጉዕዞ ነፈርቲ ዩክሬን ኣብ ሓደጋ ስለዘእተዎ፡ ፕረዚደንት ዘለንስኪ  ረቡዕ  ምሸት’ዩ ኣብ ዶባዊት ከተማ ፕረሚስል ኣብ ዝርከብ መደበር ባቡር ፖላንድ ተራእዩ። ብድሕሪኡ ነቲ ፕረዚደንትን ጉጅልኡን ዝጽበያ ዝነበራ ናይ መንግስቲ ኣመሪካ  ጸለምቲ ሸቭሮሌት ሳበርባን ሞዴል መካይን ተሰቒሉ ተዓዚሩ። ብዙሓት ምዕራባውያን መራሕትን ሰበ ስልጣንን ንፕረዚደንት ዘለንስኪ ንምብጻሕ ናብ ኪየቭ ብባቡር ተጓዒዞም እኳ እንተነበሩ፡ ኲናት ሩስያ ካብ ዝጅምር ንደሓር ግን ፕረዚደንት ዘለንስኪ ንፈለማ እዋን’ዩ ናብ ወጻኢ ሃገር ዝገይሽ ዘሎ። ሓበሬታ በረራታት ከም ዘመልክቶ፡ ድሕሪ ገለ ሰዓታት፡ ንፕረዚደንት ዘለንስኪ ክትወስድ እያ ተባሂላ እትግመት ቦይንግ ሲ-40ቢ ዝተባህለት ናይ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ነፋሪት ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ርዘዞው (Rzeszow) ተበጊሳ። እታ ነፋሪት ካብቲ መዓርፎ ነፋሪት ናብ ሰሜናዊ ምዕራብ ገጻ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ገጻ ኣቕኒዓ። ኣብ ልዕሊ ሰሜናዊ ባሕሪ ናብ ዝርከብ ክሊ ኣየር ቅድሚ ምእታዋ ከኣ ሓንቲ ሰላዪት ነፋሪት ኔቶ ነቲ ከባቢ ከም ዝዳህሰሰቶ ይንገር። እቲ ባሕሪ ብናይ ሩስያ ሳብማሪናት ቁጽጽር ከምዝግበረሉ እዩ ዝፍለጥ። ከምኡ’ውን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ዝርከብ መደበር ሓይሊ ኣየር ዝተበገሰት ኤፍ-15 ዝዓይነታ ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ፡ ንገለ ክፋል ጉዕዞኣ ንበረራ ሚስተር ዘለንስኪ ዓጂባቶ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ድሕሪ ኣስታት 10 ሰዓታት በረራ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ ንፕረዚደንት ዩክሬን ዝሓዘት ነፋሪት ኣብ ጥቓ ዋሽንግተን ዓሊባ። ኣብ ኣመሪካ ምስ ኣተወ ከኣ ከምቲ ንኹሎም በጻሕቲ መራሕቲ ሃገራት ዝገበረሎም ምስጢራዊ ሓለዋ ተገይሩሉ። ናይ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ፍሉይ ዝገብሮ ግን መራሒ ናይታ ምስ ሩስያ ኣብ ውግእ እትርከብ ሃገር ስለዝኾነ፡ ሰበ ስልጣን ጸጥታ ኣመሪካ ዝያዳ ተገዳስነት ክገብርሉ ሓላፍነት ተሰኪሞም። ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ንኤቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ \"ሩስያ ኣብዛ ሃገር ሰለይቲ ከምዘለውዋ ስለእንፈልጥ ገለ ነገር ክትገብር ክትፍትን ትኽእል እያ\" ኢሉ። እቲ መገሻ ብዘይ ገለ ጸገም ዝሓለፈ ይመስል፤ ትማሊ ሓሙስ ድማ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ድሮ ናብ መሬት ኤውሮጳ ተመሊሱ፡ ምስ መዘንኡ ኣንድረጅ ዱዳ ንምርኻብ ኣብ ፖላንድ ደው ከም ዝበለ ኣብ ቴሌግራም ጽሒፉ። ድሮ’ውን ዶብ ፖላንድ ሰጊሩ ናብ ዩክሬን ከምዝኣተወ ይግለጽ ኣሎ። ሰበስልጣን ጸጥታ ኣሜሪካ ግን ብሰላም ናብ ኪየቭ ምስ ተመልሰ ጥራይ እዮም ሩፍታ ዝረኽቡ። ሓደ በዓል ስልጣን ንኤቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ \"ፑቲንን ክረምሊንን ናብ ዓዱ ክምለስ ከምዘለዎ ይፈልጡ'ዮም\" ኢሉ።","category":"ዩክረይን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c512kk5rlmzo"} {"headline":"ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ: መንግስቲ ኢትዮጵያ 'ተሓታትነት ገበናት' ከረጋገጽ ሓቲቱ","content":"ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፡ ምስ ቢቢሲ ኒውስ ሃወር ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሓታትነት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከረጋግጽ ከሓቲቱ። በቲ ኣምባሳደር ዝምራሕ ጉጅለ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ዑደት፡ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃን መራሕቲ ህወሓትን ከምዝተራኸበ ሓቢሩ። ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ርእሰ ከተማ ትግራይ፡ መቐለ ኣብ ዝገበሮ መገሻ ኣመልኪቱ፡ ምስ ፍልይቲ ልእኽቲ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብ ዘውጽእዎ ሓበራዊ መግለጺ፡ እቶም ኣብታ ክልል ተቛሪጾም ዘለዉ መሰረታዊ ኣገልግሎት ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ክምለሱን፡ እቲ ጎንጺ ብፖለቲካዊ ዘተ ክፍታሕን ምሕታቶም ዝዝከር እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ በቲ ሓበራዊ መግለጺን መገሻን ዕጉብ ከምዝይኮነ ገሊጹ ነይሩ። ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ፡ ኣብቲ ቃለ መሐትት፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዝነበሮ ጻንሒትን ሓፈሻዊ ዳህሳስን ኣብ ሰለስተ መሰረታውያን ነገራት ዘተኮረ ከምዝኾነ ገሊጹ። “ቀንዲ ኣተኩሮና ኣብ ሰለስተ ዛዕባታት’ዩ ዝከፋፈል” ዝበለ እቲ ኣምባሳደር ፡ እቲ ሓደ ንኹሎም እቶም ሰብኣዊ ረድኤት ዘድልዮም ኢትዮጵያውያን ብዘይተገደበ መንግዲ ንኽበጽሖም ብቐዳምነት ሓቢሩ። ኣብ ትግራይ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ምስ ተበጽሐ ገለ ኣወንታዊ ምዕባለታት ተራእዩ’ዩ፡ እንተኾነ፡ ኣብ መቐለ ዝበጽሐ ረድኤት ናብ ካልኦት ከባቢታት ከይባጻሕ ሕጸረት ነዳዲ ኣጋጡሙ ከምዝነበረ፡ እዚ ጸገም ኣብ ቀረባ እዋን ተፈቲሑ ከምዘሎ'ውን ተዛሪቡ። እቲ ካልኣይ ነጥቢ ንግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ኮይኑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ተሓታትነት ከምዝህሉ ከረጋግጽ ኣለዎ ዝብል ይርከቦ። “ክኢላትት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ መሰላት 25 ሓምለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተረኺቦም ብዛዕባ ሓለፍነቶምን እቲ መስርሕ ብኸመይ ክካየድ ከምዝኽእልን ተዘራሪቦም ኣለዉ፡ ንሕና ቀንዲ ንጸቕጠሉ ኸኣ ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣትዮም ምርምራቶም ብነጻነት ከካይዱ ባይታ ክጣጠሓሎም ኣብ ዝብል እዩ” ኢሉ። “እንተኾነ ክሳብ ሕጂ እዚ ዕድል እዚ ኣይተፈጠረሎምን ዘሎ” ክብል ወሲኹ ስክፋቱ ሓቢሩ። ኣባላት፡ ዓለም -ለኸ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም ምስ ላዕሎት ሰብ መዚ እንተተዘራረቡ'ኳ፡ ናብ ትግራይ ክኣትዉ ከምዘይተፈቕደሎም ይዝረብ። መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ እቲ ኮሚሽን ካብ መፈለምትኡ ከይቖም ተቓዊሞም ምንቅስቓሶም ዝዝከር እዩ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ሰለስት ዝተፈላለዩ ሰባት’ዩ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሸይሙ። ማይክ ሃመር ኸኣ ሳልሳይ’ዩ። ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ፡ 'ንምንታይ ኢኹም ኣብ ሓጺር ግዜ ትቀያየሩ ዘለኹም?' ንዝብል ሕቶ እዚ ዝስዕብ ምላሽ ሂቡ። “መጀመርታ ጆ ባይደን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉይ ልኡኽ ምምዛዙ መንግስቲ ኣሜሪካ ምስዞም ኣብዚ ዞባ ዘለዉ መንግስታት ብምትሕብባር ሰላምን ንኸስፍን ዘለዎ ተገዳስነት ዘርኢ’ዩ፡ እቶም ቅድመይ ዝነበሩ ክልተ ካብዚ ሓላፍነት ምእላዮም ዝተፈላለየ ምኽንያት ክህልዎ ይኽእል’ዩ። ቅድሚ እዚ መዝነት ምውሃበይ ናብ ኢትዮጵያ መጺአ ነይረ’የ፡ ስለዚ ኣነ በቶም ቅድመይ ዝተጀመረ’የ ዝቅጽሎ ዘለኹ” ኢሉ። ኣሜሪካ እታ ዝልዓለ ገንዘባዊ ሓገዝ ንኢትዮጵያ እትህብ ሃገር እያ፡ እዚ ዕድል እዚ ተጠቂምኩም ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጸገማት ብዘተ ንኽትፈትሕዎ ዓብላላይ ተራ የውህበኩምዶ ይኸውን ንዝብል ሕቶ ድማ፡ ኣምበሳደር ማይክ ሃመር፡ “ገለ ገለ ዝወስድናዮ ስጉምታት ኣሎ፡ ንኢትዮጵያ ካብ ዕድላት ኣጉዋ ምእጋድ ሓደ ኮይኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምምሕያሻት ንኸርኢ ኢልና ዝገበርናዮ’ዩ፡ ስለዚ ቁጠባዊ ሓገዛት ክግብር እንተኾይኑ ኣብቲ ቀዲምና ዝገለጽናዮ ምዕባለታት’ዩ ክምርኮስ” ዝብል ምላሽ ሂቡ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት ምክያዱ ዝዝከር ኮይኑ ንዕኡ ተኸቲሉ’ዩ መንግስቲ ኣሜሪካ’ውን ናብ ኣፍሪቃ ልኡኻት ሰዲዱ፡ ኢትዮጵያ’ውን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቓ ከተአንግድ እያ፡ ዋዕላ ኣሜሪካ-ኣፍሪቃ’ውን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ክካየድ እዩ፡ ኣሜሪካን ሩስያን ዲፕሎማስያዊ መኽሰብ ንምርካብ ዝወዳደራ ዘለዋዶ ኣይመስልን ዝብል ሕቶ’ውን ቀሪብሉ ነይሩ። “ኣብ ኣፍሪቃ መን እንታይ ይገብር ኣሎ ዕትብ ኢልና ንርኣዮ፡ ትኹረት ኣሜሪካ ኣብ ምሕዝነት፣ ኣብ ጥዕና፡ ንድሕሪት ምልስ ኢልና’ውን ኣብ እዋን ቃልሲ ኣንጻር ኤድስ፡ ቃልሲ ኣንጻር ደርቅን ውሕስነት መግብን ጸጥታን እዩ” ኢሉ። እቲ ኣምባሳደር ወሲኹ፡ “ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ንሃገራት ኣፍሪቃ ናብ ቅልውላው ሕጽረት መግቢ ከምዘምርሐን ኩሉ ዝርድኦ’ዩ፡ እዚ ኸኣ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ደው ኣቢላ ፡ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ኣእካል ንሰድድ ክወጽእ ምስ እተፍቕድ’ዩ ፍታሕ ዝረክበ” ዝብል ምላሽ ሂቡ። ኣብ ኢትዮጵያ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ዝጸንሐ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፡ ምስ ፖለቲከኛታት፣ ጉጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ መራሕቲ ማሕበራት ደቂ ኣንስትዮን ምሁራትን ብምርኻብ ዘተ ከምዘካየደ እዩ ዝንገር። ማይክ ሃመር፡ እቲ ናብ ካልኣይ ዓመቱ ዝኸይድ ዘሎን ሰፊሕ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ዘውረደን ኲናት ትግራይ ድሕሪ ምጅማሩ ካብ ዝተመዘዙ ፍሉያት ልኡኻት ኣሜሪካ ሳልሳይ እዩ። እቶም ቅድሚኡ ዝተሾሙ ላዕለዎት ኣሜሪካውያን ዲፕሎማሰኛታት፡ እቲ ኲናት ኣብ ዝተጋደደሉ እዋን ናብ ኢትዮጵያን ከባቢኣን ተደጋጋሚ መገሻታት ይገብሩ እኳ እንተነበሩ ብወግዒ ዝፍለጥ ውፅኢት ከይረኸቡ እዮም ካብ ሓላፍነቶም ተኣልዮም።","category":"ዩክረይን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cx7pye69q3wo"} {"headline":"ሰርጌይ ላቭሮቭ፡ የጋጥም ንዘሎ ቅልውላው ምግቢ ንምዕራባውያን ከሲሱ","content":"ንሽድሽተ መዓልትታት ኣብ ኣፍሪቃ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ሰርጌይ ላቭሮቭ ትማሊ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ እንከሎ፡ ምስ ሰብመዚ ኢትዮጵያን ዲፕሎማሰኛታትን ተራኺቡ። ንሱ፡ ሎሚ ረቡዕ ንዲፕሎማሰኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣብ ዓለምለኻዊ ዕዳጋታት ምግቢ ዝተርኣየ ፀገም፡ ኣብ ምጅማር ለበዳ ኮቪድ-19፡ ሃገራት ምዕራብ ብዘይ ዝኾነ ፅኑዕ ምኽንያት ዋጋ ቢልዮናት ዶላራት ምግቢ ብምዕዳገን ዝመፅአ ምዃኑ ገሊፁ። “ንፀብፃብ ውድብ ምግቢ ዓለምን ትካል ምግቢ ሕርሻን እንተ ኣንቢብኩም፡ ፀገማት ዓለምለኻዊ ዕዳጋ ምግቢ ኣብ ምጅማር ለበዳ ኮሮናቫይረስ እዩ ጀሚሩ። እቲ ምኽንያት ከኣ ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኣውሮጳን ጃፓንን ብዘይ ዝኾነ ቁጠባዊ መርትዖ፡ እቲ ለበዳ ንነዊሕ ግዘ እንተፀኒሑን ዕፅዋ እንተመፀን ብምባል ንሳዕቤናቱ ንምቅላስ ብዝብል ናይ ሸሞንተ ትሪልዮን ዶላር ተልእኾ ጀሚረን፣ ነቲ ገንዘብ ከኣ ምግብን ካልእ ነገራትን ብምዕዳገን ዝሰዓበ እዩ” ክብል ከሲሱ። ብርግፅ፡ ኩነታት ዩክረይን ንዕዳጋ ምግቢ ተወሳኺ ፅልዋ ኮይኑ’ዩ ዝበለ ላቭሮቭ ግና \"ብሰንኪ ስርሒት ሩስያ ዘይኮነ ሃገራት ምዕራብ ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ንህላወ መግቢ ኣብ ዕዳጋታት ዕሽሽ ብምባል እገዳታት ብምእዋጀን ዝሰዓበ እዩ\" ኢሉ። ላቭሮቭ ወሲኹ፡ ወሰኽ ዋጋታት ድዅዒ ብሰንኪ እቲ ዘይ ሓላፍነታዊ ክብል ዝገለጾ ‘ሓምላይ ምስግጋር’ ዝበሃል ፖሊሲ ሃገራት ምዕራብ ምዃኑን እዚ ኣብ ልዕሊ’ቶም ልሙድ ምንጭታት ፀዓት ኣድልዎ ዝገብር ምዃኑን ገሊፁ። ኣፍሪቃ ካብ እተህልዀ መጠን ስርናይ፡ ነቲ 40 ሚእታዊ ካብ ዩክረይን እያ ክተእቱ ፀኒሓ። ኣብዚ እዋን ግና ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ሩስያ ንዩክረይን ምውራራ ስዒቡ ዝተወልዐ ኲናት ሩስያ-ዩክረይን ምንኩልላፍ ኣጋጢምዎ ይርከብ። ኣብ ዝሓለፈ መዓልትታት ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰደድ ኣእኻል ግና ተስፋ ፈጢሩ ኣሎ።","category":"ዩክረይን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cqegy942655o"} {"headline":"ጓል መሻርኽቲ ፑቲን ዝዀነት ዳርያ ዱጊና ኣብ ሞስኮ ብነታጒ ተቐቲላ","content":"ጓል ናይ ቀረባ መሓዛ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ መኪና ብዝተፃወደ ቦምባ ከም ዝኾነ ብዝተጠርጠረ መጥቃዕቲ ተቐቲላ። ጓል 29 ዓመት ዳርያ ዱጂና ካብ ሞስኮ ውፅእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ጽርግያ ብዘጋጠመ ፍንጀራ ከም ዝሞተት ኮሚቴ መርመራ ሩስያ ኣፍሊጡ። እቲ \"ሓንጐል ፑቲን\" ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣቡኣ ሩስያዊ ፈላስፋ ኣሌክሳንደር ዱጊን ዒላማ ናይቲ መጥቃዕቲ ነይሩ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት። ብሕሉፍ ስነ-ሓሳብ ሃገራውነት ዝፍለጥ ዱጊን ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ዝጠበቐ ምሕዝነት ከም ዘለዎ ይእመን። ኣሌክሳንደር ዱጊ ምስ ጓሉ ብቐዳም ምሸት ኣብቲ ኣብ ጥቓ ሞስኮ ዝተኻየደን እቲ ፈላስፋ ኣስተምህሮ ዝሃበሉን ፈስቲቫል ተረኺቦም ነይሮም። እቲ \"ትውፊታዊ\" ፌስቲቫል፡ ንኣፍቀርቲ ስነ-ጥበብ ብዝብል ዝዳሎ ስድራቤታዊ ፍጻመ ከም ዝኾነ ዝገልጽ ኮይኑ፡ኣብቲ ሓደ እዋን ሩስያዊ ገጣሚ ኣሌክሳንደር ፑሽኪን ዝነብረሉ ዝነበረ ዛካሮቮ ዝብሃል መንበሪ እዩ ዝካየድ። ኣቦን ጓልን ካብቲ ቦታ ብሓንቲ መኪና ክወጹ ትፅቢት ዝግበር እኳ እንተነበረ ዱጊን ግን ኣብ ናይ መወዳእታ ደቒቕ ነንበይኖም ክጓዓዙ ወሲኑ። ኣብ ቴሌግራም ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት ናብታ ትነድድ ዝነበረት ስብርባር መኪና ክበጽሑ ከለዉ ዱጊን ኣብ ስንባደ ኰይኑ የርእይ። ነታ መኪና እትዝውራ ዝነበረት ዳርያ ዱጊና ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ሽዑ ከም ዝሞተት መርመርቲ ኣረጋጊጾም። ኣብ ትሕቲ እታ መኪና ዝተፃወደ ነታጒ ከም ዝተፈንጀረን ብባርዕ ከም ዝነደደትን ዝተገለፀ ኰይኑ፤ ክኢላታት መርመራ ኣስከሬንን ነታጒን ምፅራይ የካይዱ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ። ዩክሬይን ኣብቲ ፍጻመ ኢድ ኣለዋ ንዝብል ክሲ ሓደ ዩክሬናዊ በዓል ስልጣን ነጺግዎ’ሎ። ኣማኻሪ ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ሚካይሎ ፖዶልያክ፡ \"ዩክሬን ብርግጽ ምስዚ ዝኾነ ይኹን ርክብ የብላን። ምኽንያቱ ንሕና ከም ፌደሬሽን ሩስያ ገበነኛ ሃገር ኣይኰንናን\" ኢሉ። ወሃቢት ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ማርያ ዛካሮቫ ኣብ ቴሌግራም ኣብ ዝዘርግሓቶ ጽሑፍ፡ [እቲ መጥቃዕቲ] ምስ ዩክሬይን ምትእስሳር ከም ዘለዎ እንተተረጋጊፁ ከም \"መንግስታዊ ግብረሽበራ\" ከም ዝውሰድ ኣፍሊጣ። ኣሌክሳንደር ዱጊን በዓል ስልጣን መንግስቲ እኳ እንተዘይኰነ፡ ኣብ ፖለቲካ ሩስያ ግን ዝፍለጥ ሰብ እዩ። ጸረ ምዕራባውያን ዝኾነ ሕሉፍ ሃገራውነት ፍልስፍናኡ ኣብ ሩስያ ዓብላሊ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ካብ ምዃኑ ብዝሰገረ፡ ንናይ ፕረዚደንት ፑቲን ተስፋሕፋሓይ ፖሊሲ ወጻኢ ኣብ ምቕራጽ ሓጊዙ እዩ። ኣሌክሳንደር ዱጊን ኣብ መንግስቲ ወግዓዊ ስልጣን እኳ እንተዘይሓዘ፡ ናይ ቀረባ መሓዛ ፕረዚደንት ሩስያ ምዃኑ ይእመን፤ \"ርእሲ ፑቲን\" ክሳብ ዝብል መፀውዒ’ውን ተዋሂብዎ’ሎ። ጓሉ ዳርያ ዱጊና እውን ንወራር ዩክሬይን እትድግፍ ፍልጥቲ ጋዜጠኛ እያ ነይራ። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ብሰበስልጣን ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን እገዳ ከም ዝተገበረላ ይፍለጥ። ናይዚ ምኽንያት ድማ ብዛዕባ ወራር ሩስያ ብኢንተርነት \"ግጉይ ሓበሬታ\" ዘርጊሓ ዝብል ክሲ እዩ። ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት ድማ \"ግጭት ስልጣነታት\" ክትብል ነቲ ኲናት ዝገለፀቶ ኮይና፡ ንሳን ኣቦኣን ዒላማ እገዳ ምዕራባውያን ምዃኖም ከምእትሕበን’ውን ሓቢራ ነይራ። ኣሌክሳንደር ዱጊን ሩስያ ንክሪሚያ ክትጥቕልላ ከላ ተሳትፎ ነይርዎ ብዝብል ኣብ 2015 ብኣሜሪካ እገዳ ተገይሩሉ እዩ። ጽሑፋቱ ኣብ ልዕሊ ፑቲን ዓሚቝ ጽልዋ ከም ዘለዎም ይዝረበሉ። እዚ ፈላስፋ ከም ቀንዲ ሃንዳሲ ናይቲ ብብዙሓት ኣብ ክረምሊን ዝድገፍ ሓሉፍ ስነ-ሓሳብ ሃገራውነት ይቑጸር። ዱጊን ሩስያ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ንነብሳ ብዝያዳ ብዓመጽ ክተጉልህ ንዓመታት ካብ ምጉስጓሱ ብተወሳኺ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝተወሰደ ወተሃደራዊ ስጉምቲ እውን ደጊፉ።","category":"ዩክረይን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cy7l3dnnd8jo"} {"headline":"ናህሪ ዋጋታት ብኸመይ'ዩ ዝፍጠር?","content":"ዝቕባበ ዝኽሰት፡ ጠለብ በዚሑ ቀረብ ኣብ ዕዳጋ ምስ ዝውሕድ እዩ።","category":"ዩክረይን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72epzed504o"} {"headline":"ቀጻሊ ስጉምቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን እንታይ ክኸውን ይኽእል?","content":"ሩስያን ዩክሬንን ኣብዚ ዓመት ዝኾነ ወሳኒ ወተሃደራዊ ዓወት ክረኽባ ተኽእሎ ከም ዘየለ ሓላፊ ወተሃደራዊ ስለያ ብሪጣንያ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ብተወሳኺ ኣብቲ ሳሕቲ ኣብ ዘጋጥም ቃለመጠይቕ ሌተናል ጀነራል ሰር ጂም ሆከንሃል፡ ሩስያ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ክትጥቀም ዘለዋ ተኽእሎታት ኣዝዩ ብቐረባ ክከታተልዎ ከምዝጸንሑ ገሊጹ። ኣብዚ ዓመት ኣብ 23 ለካቲት ጀነራል ሆከንሃል ክሳብ ምሸት እናሰርሐ ነይሩ። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ድማ ብብሽክለታ ናብ ገዝኡ ከይዱ ከባቢ ሰዓት 01፡00 ደቂሱ። ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣብ ዶብ ዩክሬን ገለ ፍሉያት ንጥፈታት ከምዝነበሩ ዝገልጽ ቴለፎን ምስተደወለሉ፡ ብብሽክሌትኡ ናብ ስርሑ ተመሊሱ። ፅንሕ ኢሉ ሩስያ ንጎረቤታ ከም ዝወረረታ ዘረጋግፅ ሓበሬታ መጺኡ። ድሕሪ ደቓይቕ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተርን ጸሓፊ ምክልኻልን ብሪጣንያ፡ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝዓበየ ዕጥቃዊ ግጭት ኣውሮጳ ምጅማሩ መብርሂ እናሃበ ነይሩ። ጀነራል ሆከንሃል ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ሓላፊ ስለያ ምክልኻል ኮይኑ ኣዝዩ ምስጢራው ሓበሬታታት ዝሰርሕ ትካል ክመርሕ እዩ ጸኒሑ። ኣብ ዩክሬን ዝተኻየደ ኲናት ግን፡ ስርሑ ዝያዳ ኣገዳሲ ክኸውን ገይርዎ። ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሕዳር ወራራ ከምትጅምር ዝያዳ ኣሚኑ ከምዝነበረ ይዛረብ። \"እዚ ክፍጸም'ዩ\" ኢሉ ዝሓሰበሉ እዋን ከምዝነበረ ይዝክር። ቅድሚ እቲ ኣብ ወራር ዝነበረ ሰሙን፡ ሩስያ ክትወራረሉ ትኽእል መደባት ዝትንቢ ካርታ ኣብ ትዊተር ንምሕታም ኣዝዩ ዘይተለምደ ውሳነ ወሲዱ። ቀሊል ኣይነበረን ዝብሎ ውሳነ'ኳ እንተነበረ፡ ሓበሬታ ናብ ህዝባ ምውጻእ ከምዘድሊ ግን ኣሚኑ እዩ። \"እቲ ሓሶት ቅድሚ ምምጽኡ ሓቂ ክወጽእ ኣገዳሲ'ዩ\" ይብል። ብተወሳኺ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ሩስያ ኬሚካላውን ባዮሎጂካውን ኣጽዋር ክትጥቀም ዘለዋ ዓቕሚ ንምጉላሕ ዝወሰድኦ ውሳነ ይድግፍ። ጀነራል ሆከንሃል ግን ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ኣብ ደቡብ ወሳኒ ለውጢ ክመጽእ ምጽባይ ካብ ክውንነት ወጻኢ እዩ ይብል። ንሱ፡ ዩክሬን ዳግማይ መሬታ ክትቆጻጸር ዘለዋ ድሌት ከም ዝርዳእ፡ ኮይኑ ግን ጸረ-መጥቃዕቲ እንተሃለወ'ኳ፡ ኣብዚ ዓመት ግን ብኽልቲኦም ወገናት ወሳኒ ስጉምቲ ክውሰድ'ዩ ዝብል እምነት ከምዘይብሉ ወሲኹ ይዛረብ። ግምቱ ነዊሕ እዋን ዝወስድ ግጭት እዩ። እዚ ድማ ካልእ ሕቶ የልዕል። ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ወተሃደራዊ ዕላማታቱ ንምዕዋት ቃልሲ እንተቐጺሉ እንታይ ክገብር ይኽእል? ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ምጥቃም ከም ኣማራጺ ክወስድ ይኽእል ድዩ? ጀነራል ሆከንሃል፡ እዚ \"ኣዝዩ ኣዝዩ ብቐረባ\" ክትትል ዝግበሮ ጉዳይ ከም ዝኾነ ይገልጽ። ንዩክሬናውያን ወይ ምዕራባውያን ከም መበገሲ ናይቲ ግጭት ተገይሮም ንኽውሰዱ ንምፍታን ናይ ሓሶት ስርሒታት ከይካየዱ ደው ንምባል ከምዝሓገዞም እምነት ኣለዎ። ክንድዚ ዝኣክል ምስጢራዊ ስለያዊ ሓበሬታ ንህዝቢ ከካፍል ሳሕቲ ዘጋጥም ነገር እዩ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ስለላ ምክልኻል ነቲ ኲናት ዝምልከት መዓልታዊ ሓድሽ ሓበሬታ ክዝርግሕ ጸኒሑ እዩ። ስለያ ሳይንስ ኣይኮነን፤ ትንበያታት ብመጠን ክፍጸሙ ዝኽእሉ ተኽእሎታት ዝግበር ኮይኑ፡ ኣብ ስለያ ምክልኻል ብሪጣንያ ዘገረሙ ብርክት ዝበሉ ነገራት ኣጋጢሞም እዮም። ጀነራል ሆከንሃል፡ ጥንካረ ሓድነት ምዕራባውያንን ተቓውሞ ዩክሬንን ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ከምዝኾነ ይገልጽ። \"ውድቀት ወተሃደራዊ ሓይሊ ሩስያ እውን ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ነይሩ\" ዝበለ ጀነራል ሆከንሃል፡ ትእዛዝ፣ ቁጽጽርን ሎጂስቲክስን ግን \"ድኹም\" ምንባሩ ይሕብር። ካብ ስትራተጂካዊ ክሳብ ስልታዊ ደረጃ፡ ብፖለቲካዊ ምትእትታው እውን ከምዝተጎድአ ይገልጽ። ኣብ መንጎ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ክፍልታት ሩስያ ዘይምትእምማን ተራእዩ እዩ። ሞስኮ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ንዚ ኩሉ ጸገማት ምስጣሓ ከም ዘገረሞ ይዛረብ። \"ሰባት ይዕወቱ ወይ ይስዕሩ ኣለዉ ኢልና፡ ወይ ድማ ማዕረ ኣለዉ ኢልና ብኽልተኣዊ ኣገላልጻ ካብ ምሕሳብ ክንጥንቀቕ ይግባእ\" ይብል ጀነራል ሆከንሃል። ሩስያ፡ ርኡይ ክሳራ ስለ ዘጋጠማ ብንጹር ተወሳኺ ሓይሊ ንምፍራይ ትጽዕር ከምዘላ ድማ ይዛረብ። ኣብ ኬርሰንን ከባቢኡን ካብ ዘለዉ ሓይልታት ዩክሬን ርኡይ ጸቕጢ ይግበረላ ስለ ዘሎ ተወሳኺ ገለ ሰራዊታ ካብ ዶንባስ ናብ ደቡብ ዳግማይ ከተዋፍር ከምትግደድ የረድእ። ወተሃደራዊ ዶክትሪን ሩስያ፡ ዘይከም ናይ ምዕራባውያን፡ ንወተሃደራዊ ስርሒታት፡ ታክቲካዊ ወይ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ምጥቃም ዘጠቓልል እዩ። ኣብ ቀረባ እዋን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ኣብ ጥቕሚ ክውዕል እዩ ዝብል እምነት እኳ እንተዘይሃለዎ፡ ክትትል ምግባሩ ግን ክቕጽል እዩ። እቲ ናይ ዓውደ ውግእ ተበግሶ እንተተቐያይሩ ስልታዊ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ናይ ምጥቃም ተኽእሎታት እውን ክቕየር ከምዝኽእል ይገልጽ። ጀነራልሆከንሃል ሓላፊ ስለያ ምክልኻል ኾይኑ ንኣርባዕተ ዓመታት ድሕሪ ምግልጋሉ፡ ሕጂ ንስትራተጂካዊ ትእዛዝ ምክልኻል ብሪጣንያ ንምምራሕ ይሰጋገር ኣሎ። እዚ ድማ ምክትታል ንጥፈታት ብሪጣንያ ኣብ ጠፈር፣ ኣብ ሳይበርን ኣጠቓቕማ ፍሉያት ሓይልታትን ዘጠቓልል እዩ። ሕጂ'ውን ንሩስያ ከም ዓባይ ስግኣት ዝርእያ'ኳ እንተኾነ፡ ብዛዕባ ቻይና'ውን ስክፍታኡ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ቤጂንግ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ወተሃደራዊ ጭዋዳታታ ኣብ ልዕሊ ታይዋን ክተጠናክር ጸኒሓ እያ። ጀነራል ሆከንሃል፡ \"ፖለቲካዊ ጉዳይ ንምፍታሕ ቆሪጻ ዝቖመት፡ ክትኣምኖ ዘጸግም ዘመናዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝሓዘት ሃገር\" ሸለል ምባል ኣግባብነት ከምዘይብሉ ይገልጽ። ስራሕ ወተሃደራዊ ስለያ ብሪጣንያ ካብዚ ዝቐለለ ኣይክኸውንን።","category":"ዩክረይን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cy981n89vylo"} {"headline":"ሩስያ መዓልታዊ ዋጋ 10 ሚልዮን ዶላር ናብ ኣውሮጳ ክኸይድ ዝነበሮ ጋዝ ተቃጽል’ላ","content":"ኣብ ኣውሮጳ ዋጋ ነዳድን ጋዝን ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉ፡ ሩስያ መዓልታዊ ዋጋ ሚልዮናት ዶላር ጋዝ ተቃጽሎ ምህላዋ ዝገልጽ ጸብጻብ ቢቢሲ ረኺቡ። ክኢላታት፡ እቲ ሩስያ ተቃጽሎ ዘላ ጋዝ ናብ ጀርመን ክስደድ ተሓሲቡ ዝነበረ ምዃኑ ገሊጾም። ሩስያ ኣብ ጥቃ ዶብ ፊንላንድ ኣብ ዝርከብ መደበር ጸዓት፡ መዓልታዊ ዋጋ 10 ሚልዮን ዶላር ጋዝ ተቃጽል ምህላዋ'ውን እቶም ክኢላታት ሓቢሮም። ተመራመርቲ፡ እቲ ሩስያ መዓልታዊ ተቃጽሎ ዘላ ጋዝ ዘህፍፎ ዘሎ ካርበን ዳይኦክሳይድ ከምዘሻቐሎም ብምሕባር እቲ መጠን ዋዒ፡ ንምምካኽ በረድ ኣርክቲክ ከቀላጥፎ ከምዝኽእል ሓቢሮም። እቲ ‘ብሪስታድ ኢነርጂ’ ዝወጽአ መርምራዊ ጽሑፍ፡ ኣብቲ ቦታ መዓልታዊ 4.34 ሚልዮን ኩቢክ ሜተር ዝዓቀኑ ጋዝ ይቃጸል ምህላዉ ገሊጹ። እti ጋዝ ካብቲ ባህርያዊ ጋዝ ዝዕደነሉ ትካል ፖርቶቫያ ዝተረኸበ እዩ። ኣብ ፈለማ፡ ኣብ ጥቃ ዶብ ሩስያ ዝነብሩ ፈንላዳውያን ነቲ ብርቱዕ ባርዕ ምስ ርኣዩ ሻቕለቶም ገሊጾም ነይሮም። ትካል ፓርቶቫያ፡ ኣብ ጥቃ’ቲ ጋዝ ንጀርመን ዘመሓላለፍ መስመር ኖርድስተሪም-1 እዩ ዝርከብ። እቲ ብኖርድስትሪም-1 ብትሕቲ ባሕሪ ናብ ጀርመን ዝልኣኽ ዝነበረ ጋዝ፡ ሩስያ ብሰንኪ ተክኒካዊ ጸገማት ብምባል ካብ መፋርቅ ወርሒ ሓምለ ጀሚራ ኣጉዲላቶ እያ፡ ጀርመን ግን ሩስያ ንዩከረይን ምስ ወረረታ፡ ብፖሎቲካዊ ድፍኢት፡ ነቲ መጠን ሰደድ ከምዘጉደለቶ’ያ ትኸስስ። እንተኾነ ተመራመርቲ: ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ኣብቲ ቦታ ርኡይ ወሰኽ መጠን ዋዒ ከምዝተረኣየ ብምሕባር እቲ ምኽንያት ሩስያ ልዑል ዓቐን ጋዝ ተቃጽል ስለዘላ’ያ ይብሉ። ኣብ እዋን ዕደና ባህርያዊ ጋዝ፡ ጋዝ ምቅጻል ንቡር ተርእዮ’ኳ እንተኾነ፡ እቲ ሕጂ ሩስያ ተቃጽሎ ዘላ ጋዝ ግን ልዕሊ ንቡር ምዃኑ’ዮም እቶም ተመራረመርቲ ዝገልጹ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ማያሚ ክፍለ ግዝኣት ኦሃዮ ክኢላ ሓበሬታ ሳተላይት ዝኾነት ዶክተር ጀሲካ ማካርቲ “ክንድዚ ዝዓቐኑ ጋዝ ክቃጸል ርእየ ኣይፈልጥን’የ” ትብል። ንሳ ብምስዓብ “ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ብርቱዕ ባርዕ ክርአ ጀሚሩ፡ ክሳብ ሕጂ ኸኣ እቲ መጠኑ ኣይነከየን ዘሎ” ትብል። ማርክ ደቪስ ላዕለዋይ ሓላፊ ናይቲ ንልዑል ሃልሃልታ ጋዛት መፍትሒ ዘናዲ 'ካፕተርዮ' ዝተብሃለ ትካል’ዩ። ማርክ ደቪስ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት “ኣካያድቲ ናይ ከምዚ ዓይነት ትካል መብዛሕትኡ ግዜ ደው ንኸብልዎ ኣይደፍሩን’ዮም ምኽንያቱ ዳግማይ ነቲ ፋብሪካ ንምጅማር ክቡር ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ፍርሒ’ዩ ዘለዎም፡ እዚ ናይ ሩስያ’ውን ከምኡ ክኸውን ይኽእል እዩ” ኢሉ። ካልኦት ኸኣ እቲ ብመንገዲ ኖርድስትሪም-1 ናብ ጀርመን ዝልኣኸ ዝነበረ ጋዝ ምጉዳሉ፡ ነቲ ካብ ምልኣኽ ዝተረፈ ጋዝ ምኽዛን ሓደ ተክኒካዊ ጸገም ፈጢርሎም ክኸውን ይኽእል’ዩ ይብሉ። እቲ ካልእ ምኽንያት፡ ውጽኢት ናይቲ ኣውሮጳ ምስ ወራር ሩስያ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝኣወጀቶ እገዳ ከኸውን ከምዝኽእል ግምቶም የቐምጡ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ፊንላንድ ፕሮፌስር ናይ ምህንድስና ጽዓት ዝኾነ ኢሳ ቫኪላኢኒን ብወገኑ “ንኽንድዚ ዝኣክል ግዜ መዓልታዊ ኣዝዩ ብዙሕ ዝመጠኑ ጋዝ ምቅጻሎም፡ ገለ ዝጎደሎም መሳርሒ ክህሉ ኣለዎ” ይብል። ኢሳ ብምስዓብ “ብሰንኪ እቲ ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ኣንቢራቶ ዘላ እገዳ፡ ኣብ ምዕዳን ነዳድን ምምስራሕ ጋዝን ኣድላዪ ዝኾነ ቅያር ኣቕሑ ስኢኖም ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም” ኢሉ። ብመንግስቲ ሩስያ ዝመሓደር ግዙፍ ኣፍራዪ ጸዓት ዝኾነ ጋዝፕሮም ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ንዘቕረብናሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበን። እቲ ሃልሃልታ ብዝቐጸሎ መጠን ፊናንስያውን ከባብያውን ዋጋ መዓልታዊ ከምዝውስኽ ተመራመርቲ ይሕብሩ። ኣባል 'ረይስታድ ኤነርጂ' ሲንድረ ከኑትሶን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ “ምኽንያት እቲ ምቅጻል ዝፍለጥ እኳ እንተዘይኮነ፡ ሩስያ ኣብ ዕዳጋ ጸዓት ኣውሮጳ ንዘለዋ ዕብለላ ዘዘኻኽር እዩ። \"እዚ ጋዝ ብኖርድስትሪም-1 ወይ ካልኦት ኣማራጺታት ክለኣኽ ዝነበሮ እዩ፤ ምናልባት ዝኾነ ምልክት ዘይክህሉ ይኽእል እዩ ግን ሩስያ ካብ ጽባሕ ጀሚራ ዋጋ ጋዝ ተገድሎ ትኸውን” ኢሉ። ብደረጃ ዓለም ብሰንኪ ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝሰዓበ ዕጽዋታት ምስ ዘለቐ ዋጋ ጸዓት ብቅልጡፍ’ዩ ሰማይ ዓሪጉ። ብድሕሪኡ’ውን ሩስያ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ምስ ኣወጀት፡ ዋጋ ጸዓት ካብቲ ዝነበሮ ኣዝዩ ወሲኹ። ሃገራት ኣውሮጳ እቲ ካብ ሩስያ  ዝረኽብኦ ዝነበራ 40 ሚኢታዊት ምንጪ ናይ ጽዓተን ኣብ ምልክት ሕቶ ምስዝኣተወ ካልእ ኣማራጺታት ከናድያ’የን ተቐሲበን። ከም ጀርመንን ስፔንን ዝኣመሰላ ሃገራት ኸኣ ዝኾነ ክሳብ ዝኸውን ምቁጣብ ጽዓት ከም ቀዳማይ ኣማራጺ ገይረን ወሲደንኦ ኣለዋ።","category":"ዩክረይን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cjj4wzwn036o"} {"headline":"ዩክሬናዊ ሃብታምን በዓልቲ ቤቱን ብሚሳይል ሩስያ ተቐቲሎም","content":"ሩስያ ኣብ ልዕሊ ከተማ ማይኮሊቭ ብዝፈጸመቶ “ጽዑቕ” ደብዳብ፡ ሓደ ካብ ዩክሬናዊ ሃብታም ነጋዳይን በዓልቲ ቤቱን ተቐቲሎም። ወዲ 74 ዓመት ኦሌክሲ ቫዳቱርስኪን በዓልቲ ቤቱ ሪሳን፡ መንበሪ ገዛኦም ብሚሳይል ምስ ተሃርመ ከም ዝሞቱ ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ገሊጾም። እቲ በዓል ጸጋ፡ ወናኒ ኣብ ሰደድ ምህርቲ ስርናይ ዝነጥፍ ኩባኒያ ኒቡሎን እዩ። “ጅግና ዩክረይን” ዝብል ሽልማት’ውን ተበርኪቱሉ ነይሩ። መጽሄት ፎርብስ፡ ብ2020 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሃብቲ ኦሌክሲ 450 ሚሊዮን ዶላር ዝግመት እዩ ክብል ጽሒፉ ነይሩ። ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሞት እቲ በዓል ሃብቲ ዓቢይ ክሳራ ክብል ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ። ከንቲባ እታ ኣብ ደቡባዊ ዩክረይን እትርከብ ከተማ ማይኮሊቭ ኦሌክሳንደር ሴንኬቪች፡ እቲ ደብዳብ፡ ሩስያ ክሳብ ሕጂ ኣብታ ከተማ ካብ ዝፈጸመቶ ደብዳባት እቲ ዝኸበደ እዩ ኢሉ። በዚ ምኽንያት፡ ሆቴል፡ ማእከል ስፖርት፡ ክልተ ኣብያተ ትምህርትን ማእከላት ኣገልግሎትን ከምኡ’ውን መንበሪ ኣባይቲን ከም ዝዓነው ተሓቢሩ። እታ ከተማ፡ ቀንዲ መስመር እቲ ዝዓበየ ወደብ ዩክረይን ወደብ ኦዴሳ ኰይና፡ ሩስያ ብ24 ለካቲት 2022 ወራር ካብ እትጅምር ኣትሒዙ ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ክበጽሓ ጸኒሑ። ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ቪታሊ ኪም፡ ኦሌክሲ ቫዳቱርስኪ “ኣብ ልምዓት ኢንዱስትሪ ሕርሻን ህንጸት መርከብን” ልዑል ኣበርክቶ ከም ዝነበሮ ተዛሪቡ። ኣማኻሪ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሩስያ ኰነ ኢላ ንሰብ ሃብቲ ዒላማ ትገብር ኣላ ኢሉ ከም ዝኣምን ገሊጹ። ክልቲአን ሃገራት፡ ቀንዲ ልኣኽቲ ስርናይን ካልኦት ምህርትን ኰይነን፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝተፈጥረ ምትእጉጓል ሰደድ፡ ኣብ ዓለም ዋጋ መግቢ ንሂሩ’ዩ። እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው መግቢ ንምፍታሕ ድማ፡ ወደባት ንምኽፋት ፍቓደኛታት ክዀና ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቱርኪ ስምምዕ ፈሪመን። እንተዀነ፡ ሩስያ እቲ ስምምዕ ኣብ ዝተፈረመሉ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ ወደብ ኦዴሳ መጥቃዕቲ ፈጺማ። ዩክረይን፡ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ዝተቘጻጸሮ ከባቢታት እኽሊ ብምዝማት ብክረሚያ ኣቢሉ ይሸጦ ኣሎ ብምባል ትኸስስ፤ ሩስያ ግን ነሲ ክሲ ትነጽጐ። ሩስያ፡ ብ2014 ንክረሚያ ከም ዝጐበጠታ ይፍለጥ። ብቐዳም፡ ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዩክረይን ኣብ ዝርከባ ከባቢታት ዞባ ምብራቕ ዶነስክ ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ኵሎም ንኽወጽኡ ጸዊዑ ነይሩ። ሓይልታት ሩስያ፡ ንዝበዝሕ ከባቢታት እቲ ዞባ ዝተቘጻጸሩ ኰይኖም፡ ኣብቲ ዞባ ከበድቲ ውግኣት ክካየዱ ጸኒሖም እዮም።","category":"ዩክረይን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ckd7r08w0qro"} {"headline":"ሩስያን ዩክረይንን፡ ክልቲአን ንከተማ ሊሲቻንስክ 'ተቘጻጺርናያ' ይብላ","content":"ሓይልታት ሩስያን ዩክረይንን፡ ንምብራቓዊት ከተማ ዩክረይን ዝዀነት ሊሲቻንስክ ከም ዝተቘጻጸርዋ በብወገኖም ይገልጹ ኣለው። ዩክረይን፡ ሰራዊታ ነቲ ካብ ሩስያ ዝወርድ ዘሎ ጽዑቕ ደብዳብ ክምክት እንከሎ፡ እታ ከተማ ግን ኣብ ኢድ ሩስያ ኣይኣተወትን ትብል። እንተዀነ፡  ብሩስያ ዝድገፉ ተገንጸልቲ ሓይልታት ናብታ ከተማ ብምታው ኣብ ማእከል በጺሖም እዮም። ማዕከን ዜና ሩስያ፡ እቶም ተገንጸልቲ ሓይልታትን ሰራዊት ሩስያን ብጐደናታት እታ ከተማ እናሓለፉ ዘርእዩ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ዘርጊሓ። ምንጪታት ሩስያ’ውን፡ ኣብ ማእከል ዝዓነወ ምምሕዳር እታ ከተማ ባንዴራ ሶቭየት ተሰቒሉ ዘርእዩ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ኣብ ትዊተር ለጢፎም፤ እንተዀነ እዚ ኣይተረጋገጸን። ሊሲቻንስክ፡ ኣብ ዞባ ሉሃንስክ ኣብ ኢድ ዩክረይን ዝተረፈት እንኮ ከተማ ኰይና፡ ኣካል ኢንዳስትሪያላዊ ዞባ ዶንባስ እያ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሩስያ ኣብ ጥቓ እዛ ከተማ ንእትርከብ ሲቨርዶነትስክ ተቘጻጺራ እያ። ኣመሓዳሪ ዞባ ሉሃንስክ ሰርሂ ሃይዳይ፡ ኣብ ልዕሊ ሊሲቻንስክ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዕረፍቲ ከምዘይነበሮ ብምግላጽ ሰራዊት ሩስያ ብዝተፈላለየ ኣንፈት ናብታ ዝተኸበበት ከተማ ይጽጋዕ ኣሎ ክብል ተዛሪቡ። ኣምባሳደር ሪፐብሊክ ህዝቢ ሉሃንስክ ኣብ ሩስያ ሮዲን ሚሮሺንክ ንማዕከን ዜና ሩስያ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሊሲቻንስክ “ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣትያ’ያ” ግን ድማ “መሊኣ ናጻ ኣይወጽአትን” ኢሉ። ዓምደኛ ጉዳያት ምክልኻል ሮብ ሊ፡ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ማእከል እታ ከተማ ምእታዎም ዘርእዩ ምስልታት ዘርጊሑ እዩ። ዩክረይን፡ ናብ ሰራዊት ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] እናተጸግዐት ድሕሪ ምምጽኣ፡ ሩስያ ብ24 ለካቲት 2022 ንዩክረይን ካብ እትወራ ጀሚሩ፡ ንዩክረይን “ካብ ወተሃደራዊ ህላወ ናጻ” ክትገብራን “ናዚ ከተጥፍእን” ከም እትደሊ ትገልጽ። በዚ ምኽንያት ኣሽሓት ሰላማውያን ሰባትን ወተሃደራትን ሕሙማትን ቁሱላትን ክዀኑ እንከለው፡ ኣስታት 12 ሚሊዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም እዮም። ሃገራት ምዕራብ፡ ኣብታ ልዕለ-ሓያል ኒዩክሌርን ኣቕራቢት ዓለምለኻዊ ጸዓትን ዝዀነት ሩስያ ኵለ መዳያዊ እገዳታታት ብምንባር ንዩክረይን ዘለወን ደገፍ ኣርእየን። ብኻልእ ዜና፡ ኣብ ከተማ ሃርኪቭ ብዝተፈጸመ ተኸታታሊ መጥቃዕታት፡ መገዲ ባቡርን መሰመራት ኤሌክትሪክን ከም ዝዓነው ተገሊጹ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝበጽሐ ጉድኣት ዝምልከት ግን ዝወጽአ ሓበሬታ የለን። ኣብ ጥቓ ዶብ ሩስያ ኣብ እትርከብ ደቡባዊት ከተማ ሚኮሊቭ [ናብ ወደብ ኦዴሳ ቀንዲ መተሓላለፊት ዝዀነት] ብኸበድቲ ነትጒታት ተናዊጻ። እዚ ነትጒ፡ ድሕሪ እቲ ሩስያ ኣብ ጥቓ ወደብ ኦዴሳ ኣብ ዝርከብ ህንጻ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ሚሳይል፡ ልዕሊ 20 ሰባት ቀቲላ ዝብል ክሲ ምምጽኡ’ዩ ኣጋጢሙ። ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ሓይሊ ኣየር ሃገሩ ሓሙሽተ ኮማንድ ፖስትታትን ብርክት ዝበሉ መኽዝናት ኣጽዋርን ከም ዘዕነው ገሊጹ፤ እንተዀነ እዚ ብዘይሻራዊ ኣካል ኣይተረጋገጸን። ትማሊ ቐዳም፡ ፕረዚደንት ቤላሩስ፡ ምክልኻል ኣየር ሃገሩ ሚሳይላት ዩክረይን ሃሪሞም ከም ዘውደቑ ተዛሪቡ ነይሩ። ኣበይ ዝብል ግን ኣይገለጸን። ንሱ፡ መላፍንቲ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኰይኑ፡ ወተሃደራት ሩስያ ካብ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ንዩክረይን ንኽወሩ ኣፍቂዱሎም እዩ። “ይተዃቱኹና ኣለው . . .፣ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ፡ ቅድም ኢሉ’ውን ክኸውን ይኽእል - ካብ ግዝኣት ዩክረይንነ ኣብ ግዝኣት ቤላሩስ ንዘለው ወተሃደራዊ ናውቲ ንምጥቃዕ ፈተነ ተገይሩ። ኣምላኽ ይመስገን ግን እቲ ጸረ-ኣየር ስርዓታትና ንዅለን ሚሳይላት ከፍሽለን ክኢሉ” ክብል ፕረዚደንት ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ ተዛሪቡ። ወሲኹ፡ “ኣብ ዩክረይን ክንዋጋእ ኣይንደልን” ኢሉ። ሚኒስትሪ ምክልኻል ዩክረይን ብወገኑ፡ ሩስያ ኣብ ግዜ ሶቭየት ዝነበሩ ጸረ-መርከብ ሚሳይላት ተጠቒማ ክብል ከሲሱ። እዞም ኬይኤች-22ን ኬይኤች-32ን ዝበሃሉ ሚሳይላት፡ ኣብ ክሪመንቹክን ኦዴሳን ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ዝቐተሉ “ክዀኑ ይኽእሉ” እዮም ክብል ገሊጹ።","category":"ዩክረይን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4nlj0mx8vzo"} {"headline":"ሩስያ ነታ መላፍነታ ዝኾነት ቤላሩስ ኑዩክለራዊ ሚሳየል ክትህባ ምዃና ገሊጻ","content":"ሩስያ ነታ መላፍንታ ዝኾነት ቤላሩስ ናይ ሓጺር ርሕቀት ኒክለራዊ ሚሳይል ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ክትህባ ምዃና ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ገሊጹ። ፑቱን እቲ ንቤላሩስ ክህባ ምዃኑ ዝሓበሮ ሚሳየል “ክሩዝን ባላስቲክን ክውንጭፍ ዝኽእል ኮይኑ ንኣብ ስምምዕ ዘለዉን ንዓይነታት ኑዩክለርን ዘጠቃልል’ዩ” ኢሉ። እቲ ሚሳኤል ክሳብ 500 ኪሎሜተር [310 ማይልስ] ክውንጨፍ ከምዝኽእል’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ሩስያ ብ24 ለካቲት ንዩክረይን ካብ ትወራ ኣትሒዙ ኣብ ሞንጎ ምዕራባውያን ሃገራትን ሩስያን ዝነበረ ወጥሪ ዝያዳ እናኸረረ’ዩ ዝምጽእ ዘሎ። ፑቱን ምዕራብውያን ሃገራት ኣብ ጉዳይ ዩክረይንን ሃገሩን ጣልቃ ከይኣትዋ ብተደጋጋሚ ንኒክለራዊ ኣጽዋር እናኣልዓለ ከጠንቀቕን ከፈራርሕን ጸኒሑ እዩ። እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ንቤላሩስ ዝሃባ ኤስዩ-25 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ’ውን ብመሰረት ካብ ፕረዚደንት ቤላሩስ ኣሌክሳነደር ዘሉካሸንኮ ዝቐረበሉ ሕቶ ኑክለር ክሽከማ ከምዝኽእላ ክግበራ ምዃኑን ኣብሪሁ። ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፡ ብቀዳም ሰራዊት ሩስያ ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ትርከብ ከተማ ሰበርዶነስክ ከምዝተቆጻጸርዋ መንግስቲ ዩክረይን ገሊጹ። እታ ከተማ ብሰራዊት ሩስያ ምትሓዛ፡ ሩስያ ንብምልኡ ዞባ ኩሁንስክን ዝበዝሐ ክፋል ዞባ ዶንስክለን ንኽቆጻጸሩ ኣኽኢልዎም ኣሎ። እዘን ክልተ ዞባታት ነቲ ዝዓበየ ኣብ ዶባስ ዝርከብ ማእከል ኢንዱስትሪ ዘሓቑፋ እየን። ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ብቀዳም ብቪድዩ ንህዝቡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ “ንኹለን ብሩስያ ተጎቢጠን ዘለዋ ከተማታት ዩክረይን” ከምልስወን ምዃኖም ተመባጺዑ። እንተኾነ እቲ ምስ ሩስያ ዝገብርዎ ዘለዉ ኵናት ኣብ ዝኸፈአ መድረኽ ከምዝብጽሐ ብምግላጽ፡ ከንደይ ዝኣክል ክሳራን ህይወትን ከምዝጠልብ ክግምት ምሽጋሩ ሓቢሩ። ሩስያ፡ ብዓርቢ ኣብ ሰሜንን ምዕራብን ዩክረይን ዕላማታት ብምፍላይ ደብዳብ ናይ ሚሳየል ብምክያዳ ብውሕዱ ሰለስተ ሰባት ከምዝሞቱ ክረጋገጽ እንከሎ፡ በቲ ደብዳብ ዝተደብዩ ሰባት ክህልዉ ከምዝኽእሉ ሰብ መዚ ዩክረይን ገሊጾም። ገለ ካብቲ ብዓርቢ ናብ ዩክረይን ዝተወንጨፈ ሚሳየላት ካብ ቤላሩስ’ዩ ዝብገስ ነይሩ። ቤላሩስ ንሩስያ ሎጂሰቲካዊ ሓገዛት ትገብረላ ከምዘላ’ኳ እንተተኣመነት፡ ሰራዊታ ግን ዛጊት ኣብቲ ኵናት ብቀጥታ ኢዱ ኣይሓወሰን ዘሎ። ሰብ መዚ ዩክረይን ግን ሩስያ ንቤላሩስ ናብቲ ኵናት ኢዳ ንኽትሕውስ ትጉስጉሳ ምህላዋ’ዩ ዝገልጹ። ሎሚ ወጋሕታ’ውን ኣብ ርእሰ ከተማ ዩክረይን፡ ከይቭ  ተደጋጋሚ ደብዳብ ከምዝተኻየደ ከንቲባ እታ ከተማ ገሊጹ። ሩስያ፡ ንከተማ ሰበርዶነስክ፡ ኣብ ድሮ እቲ  ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዝርከቦም መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ ሸውዓት (G7) ኣብ ጀርመን ዝግበርዎ ኣኼባ’ያ ትቆጻጸራ ዘላ። ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ኣዋርሕ መላፍንቲ ዩክረይን ዝኾና ሃገራት ምዕራብ ረሸሽታ ክርእያ ጸኒሐን’የን፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ግን ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሶን፡ ዩክረይን ነቲ ኣንጻር ሩስያ ትገብሮ ዘላ ኵናት ብዓወት ከምእትዛዝሞ ተዛሪቡ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር “ሕጂ ብዩክረይን ተስፋ ንቆርጸሉ እዋን ኣይኮነን” ኢሉ። ምስ ጉጅል ሸውዓተ ኣኼባ ክሳተፍ ናብ ጀርመን ኣቕኒዑ ዘሎ ፕረዚደንት ኢንዶንሽያ ጆኮ ዊዶዶ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ንመራሕቲ ዩከረይንን ሩስያን ጸገማቶም ብዘተ ክፈትሑ ክምሕጸኖም ምዃኑ ሓቢሩ። ፕረዚደንት ጆኮ ዊዶዶ “ኵናት ደው ክብል ኣለዎ፡ ዳርጋ ደው ኢሉ ዘሎ ዓለምለካዊ ሰንሰለት ቀረባት መግቢ’ውን ዳግማይ ክበራበር ኣለዎ” ኢሉ።","category":"ዩክረይን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c721l9yyrjno"} {"headline":"ሩስያ መስመር ባቡር ንዝዓጸወትላ ሉትዌንያ ኣጠንቂቓ","content":"ሉትዌንያ ብግዝኣታ ኣቢሉ ግዝኣት ሩስያ ናብ ዝዀነት ካሊኒንግራድ፡ ብባቡር ዝግበር ምትሕልላፍ ንግዳዊ ኣቝሑ ድሕሪ ምእጋዳ፡ ‘‘ከቢድ ሳዕቤን\" ከም ዝወርዳ ሩስያ ኣጠንቂቓ፡፡ ላዕለዋይ በዓል መዚ ጸጥታ ኒኮላይ ፓትሩሸቭ፡ ‘‘ብርግጽ ንኸምዚ ዝበለ ተጻባኢ ተግባር ግብረ መልሲ ክንህብ ኢና’’ ኢሉ፡፡ ሉትዌንያ ግን፡ ነቲ ሩስያ ንዩክረይን ድሕሪ ምውራራ ብሕብረት ኣውሮጳ ዝተነበረ እገዳታት ተፈጽም ከም ዘላ እያ እትገልጽ፡፡ ግዝኣት ካሊኒንግራድ፡ ማእከል ንግዲ ሩስያን ሃገራት ባልቲክን ኰይና፡ ብቐጥታ ግን ምስ ሩስያ ኣይትዋሰንን፡፡ እታ ምዕራባዊ ግዝኣት ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም 1945፡ ሩስያ ካብ ጀርመን ብሓይሊ ዝወሰደታ ኰይና፡ ምስ ሕብረት ኣውሮጳን ኣባላት ኔቶ ዝዀና ሃገራት ሉትዌንያን ፖላንድን ትዋሰን፡፡ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ከም ዝነብራ ዝንገረላ እታ ግዝኣት፡ ቁጠባኣ ካብ ሩስያን ሕብረት ኣውሮጳን እተእትዎም ጥረ ኣቑሑን መለዋወጥን ዝተመርኰሰ እዩ፡፡ እቲ ሉትዌንያ ዘንበረቶ ክልከላ፡ ን50 ሚእታዊት ኣታዊ ንግዲ ካሊኒንግራድ ከም ዝሽፍን ኣመሓዳሪ ኣንቶን ኣሊካኖቭ ይገልጽ፡፡ ኣብታ ግዝኣት ምብጻሕ ዘካየደ ፓትሩሸፍ እቲ ክልከላ ምዕራባውያን ዘበገሳኦ፡ ‘‘ዓለምለኻዊ ሕጊ ዝጠሓሰ’’ ክብል ዝገለጾ ኰይኑ፡ ሃገሩ ኣብ ቀረባ ‘‘ግቡእ ስጕምቲ ክትወሰድ እያ’’ ኢሉ፡፡ ሩስያ ብሰሉስ ንግሆ ንኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮጳ ጸዊዓ ብዛዕባ እቲ ክልከላ ኣዘራሪባቶ እያ፡፡ መራሕቲ ሉትዌንያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብመሰረት ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘንበሮ እገዳ፡ ብግዝኣታ ኣቢሎም ናብ ግዝኣት ካሊኒንግራድ ዝሓልፉ ኣቝሑ ከም እትኽልክል ገሊጾም ነይሮም፡፡ ሕብረት ኣውሮጳ'ውን ነቲ እታ ሃገር ዝወሰደቶ ስጉምቲ ንኢዱ ኣሎ፡፡ እቲ ኽልከላ ከም ከሰል፡ ሓጺን፡ መሳርሒታ ህንጻን ምዕቡላት ቴክኖሎጂታትን ዘጠቓልል እዩ፡፡ ኣመሪካ ብተመሳሳሊ ኣብ ጐድኒ ሉትዌንያ ደው ከም እትብል ገሊጻ ኣላ፡፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ጐረቤታ ዩክረይን ዝጀመረቶ ወራር ስዒቡ፡ ዝተነበሩላ ማዕቀባት ኣብ ልዕሊ ቁጠባኣ ከቢድ ሃስያ የውርዱ ከም ዘለው ጸብጻባት ይሕብሩ፡፡ ብኻልእ ወገን፡ ሓይልታት ሩስያ ንምብራቓዊት ከተማ ሰቨሮዶንስክ ብከቢድ ይድብድብዋ ከም ዘለዉ ኣመሓዳሪ እታ ግዝኣት ገሊጹ፡፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ማርዩፖል ኣብ ዝርከብ ፋብሪካ ሓጺን ኣዞቭስታል ዝገበርዎ፡ ሕጂ'ውን ወተሃደራት ዩክረይን ኣብታ ምብራቓዊት ከተማ ብኣማኢት ሰላማውያን ሰባት ኣብ ዝርከቡሉ ፋብሪካ ዓስኪሮም ከም ዘለዉ ተገሊጹ፡፡ ሩስያ ብወገና ሓይልታት ዩክረይን ነታ ኣብ ጸሊም ባሕሪ እትርከብ ኣብ ፈለማ እቲ ኲናት ዝተቘጻጸረቶ፡ 'ስኔክ ኣይላንድ' ንምሓዝ ዘገበርዎ ፈተነ ከም ዘፍሸለት ሓቢራ፡፡","category":"ዩክረይን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2md19vkv0o"} {"headline":"ሩስያ ኣብ ዝተቖጻጸረቶም ከተማታት ዩክረይን ፓስፖርት ትዕድል ኣላ","content":"ሩሲያ ኣብ ደቡባዊ ዩክረይን ኣብ ዝተቖጻጸረቶም ክልተ ከተማታት ኬርሶንን ሜሊቶፖልን ንዝርከቡ ነበርቲ  ፓስፖርት’ታ ሩሲያ ምዕዳል ከምዝጀመረት ሰበ ስልጣን እቲ ከባቢ ተዛሪቦም። ዩክረይን ነቲ ኣብ ግዝኣታ ዝፍጸም ዘሎ ተግባር፡ ምጥማቕ ሩስያውያነት  ወይ ድማ “ሩሲፊኬሽን” እዩ ክትብል ኮኒናቶ ኣላ። ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ነቲ ኣሰራርሓ ብቅልጡፍ ይከታተሎ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ። ዜና ወኪል ሩስያ ዝዀነ ታስ ከምዝበሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ  ዕለተ ቀዳም ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ቀዳሞት 23 ነበርቲ ከተማ ኬርሶን ፓስፖርት ሩሲያ ረኺቦም ኣለዉ። እቲ ወኪል ዜና ወሲኹ ከምዝበሎ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ከተማ ኬርሶን ፓስፖርት ሩስያ ክወሃቦም ሓቲቶም ኣለዉ። እንተዀነ እዚ ብዘይሻራዊ ኣካል ኣይተረጋገጸን። ኣብ ከተማ ኬርሶን ኣመሓዳሪ ዀይኑ ዝተሾመ ሩስያዊ ወተሃደራዊ መራሒ፡  ቮሎድሚር ሳልዶ፡ \"ኩሎም ኣሕዋትና ኬርሶናውያን ብዝተኽኣለ ፍጥነት ፓስፖርትን ዜግነትን ሩስያ ክቕበሉ እዮም ዝደልዩ” ኢሉ። ዩክረይን፡ ነዚ ስጉምቲ፡ ሉኣላዊ ግዝኣተይ ዝጠሓሰ ዘይሕጋዊ ተግባር እዩ፤ ከምኡ’ውን፡ እዚ ኣዋጅ ፕረዚደንት ፑቲን \"ሕጋውነት የብሉን” ክትብል ኮኒናቶ። ሩስያ፡ ካብ 2014 ጀሚሩ ብሓይሊ ዝተቖጻጸረቶ ክሬሚያን ንካልኦት ነበርቲ ኣብዝሓ ዶንባስ ግዝኣታት ዩክረይን ፓስፖርት ዝዓደለት ኰይና፡ እቲ ሕዚ እትገብሮ ናይዚ ፖሊሲ መቐጸልታ እዩ። ሩስያ ክሬሚያን ናብ ግዝኣታ ምስ ሓወሰት፡ ኣብ ዶነትስክን ሉሃንስክን ብዓርሶም ዝመሓደሩ \"ሪፐብሊክ ህዝቢ\" ፈጢራ። እዚ ተግባር ብዓለምለኸ ደረጃ ዝተዀነነ ስጉምቲ እዩ። ዩክረይን፡ ሕዚ ወራር ኣብ ዝተፈጸመሉ ከባብታት ተመሳሳሊ ከይዲ ይፍጸም ኣሎ ዝብል ስግኣት ኣላዋ። እቶም ነበርቲ ሓደ ግዘ ነበርቲ እንተዀይኖም፡ ክሬምሊን ንዐኦም ክንከላኸለሎም ኣለና ዝብል ሓሳብ ክተቕርብ ትኽእል እያ- ይብሉ። ነበርቲ ከተማ ኬርሶን መተዓዳደጊ ገንዘብ ሩስያ ዝኾነ ሩብል ካብ ምጥቃም፡ ባጤራ ዩክረይን ‘ሂርቪንያን’ ምጥቃም ከምዝመርጹ፡ በዚ ምኽንያት ድማ ምስ ሰበ ስልጣን ሩስያ ከምዝተፈላለዩ ጸብጻበት የመልክቱ። ሜሊቶፖል ኣብ ደቡብ-ምስራቅ ኣብ ክልል ዛፖሪዝዝሂያ ዝርከብ ኮይኑ፡ እቲ ዝዓበየ ዝበሃል መመንጨዊ ኒኩሌር ሓዊሱ ኣብዝሓ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ሩስያ ወዲቑ ይርከብ። ኣብ ቀይዲ መንግስቲ ሩስያ ዶንባስ (ብዶኔትስክን ሉሃንስክን ዝተሃንጸ ማእከል ኢንዱስትሪ) መተዓዳደጊ ገንዘቦም ናብ ባጤራ ሩስያ፡ ሩብል ዝቐየረ ዀይኑ፡ ከምኡ’ውን ስርዓተ ትምህርቲ ሩስያ ክኽተሉ ይግደዱ ኣለዉ። ከምኡ’ውን፡ ኣብ ዩክረይን ዝተሾሙ ሓደሽቲ ሰብመዚ ካብ ስልጣን ብምእላይ ከምቲ ኣብ ካልእ ከባቢ ዝተገብረ ይድገም ኣሎ።","category":"ዩክረይን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4njrml0x26o"} {"headline":"‘ሩስያ፡ ቀረብ ጋዝ ነክያ ንኣውሮጳ ከተርዕድ ትሰርሕ ኣላ’ ዩክረይን","content":"ሩስያ፡ ነቲ ካብ ሃገራ ተበጊሱ ናብ ኣውሮጳ ዝኣቱ ብ'ኖርድ ስትሪም 1' ዝፍለጥ መስመር ጋዝ ብምንካይ፡ ኣብ ኣውሮጳ ራዕዲ ንምእታው ትሰርሕ ኣላ ክትብል ዩክረይን ከሲሳ። ሩስያ፡ ነቲ ካብ ከተማ ቭዮበርግ [ሩስያ] ተበጊሱ ብውሽጢ ባሕሪ ባልቲክ ንሃገራት ኢስቶንያ፡ ላቲቭያ፡ ሊትወንያን ፖላንድን ሰንጢቝ፡ ናብ ጀርመን ዝኣቱ መስመር ጋዝ ኖርድ ስትሪም 1 ንምትዕርራይ፡ ነቲ ናብ ጀርመን ዝሓልፍ ጋዝ ከተጉድሎ ምዃና ምግላጻ ዝዝከር እዩ። እንተዀነ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ነቲ ሩስያ ዝሃበቶ ምኽንያት፡ ምስምስ’ዩ ብምባል፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኣውሮጳ ራዕዲ ንምእታው'ያ ትሰርሕ ዘላ ኢሉ። እዚ፡ ክልቲኤን ሃገራት፡ ኣብ ወደባት ዩክረይን ዘሎ ኣእካል ካብ ዝመጽእ ሰሙን ጀሚሩ ንወጻኢ ሃገራት ክስደድ ዘኽእል ስምምዕ ድሕሪ ምኽታመን’ዩ ዝኸውን ዘሎ። ኩባንያ ቀረብ ጋዝ ሩስያ ዝዀነ ጋዝፕሮም፡ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ነቲ መስመር ጋዝ ዝመሓላለፈሉ ሻምብቈታት ንምትዕርራይ፡ ነቲ ናብ ኣውሮጳ ዝልኣኽ ጋዝ ብፍርቂ ክንክዮ ምዃኑ’ዩ ገሊጹ ዘሎ። መንግስቲ ጀርመን ግን፡ ቀረብ ንምጉዳል ዘገድድ፡ ኣብቲ መስመር ዝዀነ ብልሽት ከምዘየለ’ዩ ዝገልጽ። ኖርድ ስትሪም 1፡ ንዝሓለፈ ሳምንታት ካብቲ ከሕልፎ ዝግባኦ ጋዝ ንታሕቲ’ዩ ናብ ጀርመን ጋዝ ክሰድድ ጸኒሑ። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ’ውን ክተዓራረ ተባሂሉ ን10 መዓልታት ደው ኢሉ ነይሩ’ዩ። ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 40 ሚእታዊት ካብ ጠለባት ጋዝ ኣውሮጳዊ ሕብረት ሸፊና ነይራ’ያ። ካብዚ ብምብጋስ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ሩስያ ነቲ መስመር ጋዝ ከም መሳርሒ ኵናት ትጥቀመሉ ኣላ ብምባል ይኽስስ። ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ “ሩስያ፡ በዚ መስመር ንዝሓለፍ ጋዝ ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ እናኣጕደለት ናብ ዝተሓተ ደረጃ ኣብጺሓቶ ኣላ። እዚ፡ እዛ ኣሸባሪት ሃገር ኮነ ኢላ ንናብራ ኣውሮጳውያን ናብ ዝኸፍአ ትሑት ደረጃኡ ንምውራድ ትገብሮ ዘላ’ዩ፡” ኢሉ። ኣስዒቡ፡ ነቲ ኣብ ኣውሮጳ ብርቱዕ ዛሕሊ ዘለዎ እዋን ሓጋይ ኣጸጋሚ ንክኸውንን፡ ድኻታት ዝያዳ ከምዝሽገሩን ንምግባር ብሩስያ ኮነ ኢልካ ዝተተለመ ምዃኑ ይገልጽ። ሩስያ ናብ ኣውሮጳ ትልእኮ መጠን ጋዝ ምጕዳላ፡ ንሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ሩስያ ተመርኲሱ ዝጸንሐ ቀረብ ጋዝ ካልእ ኣማራጺ ከናድያሉ ዝቕስብ እዩ። እንተዀነ ቅድሚ እዚ ዝመጽእ ወቅቲ ሓጋይ ኣማራጺታት ንምርካብ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጽቢብ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ። ሚኒስተራት ጸዓት ሃገራት ኣውሮጻዊ ሕብረት፡ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ብራስለስ ብምርኻብ ነቲ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ዘኽእል ሓባራዊ ስምምዕ ክኽትሙ ትጽቢት ይግበር። ኮሚሽን ኣውሮጳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኵለን ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳዊ፡ ንዝመጽእ ሸውዓተ ኣዋርሕ ሃልኪ ጋዝ ብ15 ሚእታዊት ከጕድላ ሓሳብ ምቕራቡ ይዝከር። እዚ ብኮሚሽን ኣውሮጳ ዝቐረበ ሓሳብ ካብ ብዙሓት ኣባል ሃገራት ተቓውሞ'ኳ እንተጋጠሞ፡ እተን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ክበጽሓሉ ዘሎ ተኽእሎ ግን ልዑል ምዃኑ’ዩ ዝንገር። ፕረዚደንት ኮሚሽን ኣውሮጳዊ ሕብረት ኡስላ ቮን ደር ለይን ኣቐድም ኣቢላ፡ ሩስያ ነቲ ቀረብ ጋዝ ጠቕሊላ ክትዓጽዎ ተኽእሎታት ከምዘሎ ኣተንቢሃ ነይራ። ሩስያ ኣብ ወርሒ ለካቲት ንዩክረይን ካብ እትወርር ኣትሒዙ፡ ዋጋ ጋዝን ነዳድን ኣብ መላእ ዓለም ዓቢይ ወሰኽ ኣርእዩ’ዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብመሰረት'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብመንጎኛነት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ወደባት ጸሊም ባሕሪ ዩክረይን ዝርከብ ኣእካል፡ ናብ ወጻኢ ሃገራት ክስደድ ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ኣብ ውሑዳት መዓልታት ተግባራዊ ክኸውን ዩክረይን ተስፋኣ ልዑል ምዃኑ’ያ ገሊጻ። ኣስታት 20 ሚልዮን ቶን እኽሊ ዩክረይን፡ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ንጸሊም ባሕሪ ተቘጻጺርዎ ስለዘሎ ካብ ወደባት ዩክረይን ክስደድ ከምዘይከኣለ’ያ ዩክረይን ትገልጽ።","category":"ዩክረይን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/clmkkd7zp1mo"} {"headline":"ዘለንስኪ ንጕጅለ-7 ይምድር፡ ሚሳይላት ሩስያ ከተማታት ይድብድብ","content":"ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ኣብ ኣኼባ ሃገራት ጕጅለ ሸውዓት መደረ ኣብ ዘስምዓሉ፡ ሃብታማት ሃገራት ከበድቲ ኣጽዋራት ንኽህባኦ ምሕጽንታ ከቕርብ ትጽቢት ይግበር። እቲ ኣብ ጀርመን ዝጋባእ ዘሎ ኣኼባ ሃብታማት ሃገራት ዓለም፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ርእሰ ከተማ ዩክረይንን ካልኦት ቦታታትን ብውሕዱ ሓደ ሰብ ዝቐተለ ደብዳብ ሚሳይል ኣብ እተካይደሉ ዘላ እዋን’ዩ ዝካየድ ዘሎ። ሩስያ፡ ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ትርከብ ኣገዳሲት ከተማ ሰቨርዶነስክ ብምቍጽጻር ናብ ከተማ ለይስይቻንስክ ገጻ’ያ ትግስግስ ዘላ። ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ብሰንበት፡ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝጽበዮ ዝነበረ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ብምድንጓዩ፡ “ሩስያ ተበግሶ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ንኽትወስድ ቀሲብዋን ዕድል ፈጢሩላን’ዩ፡” ኢሉ። ኣብቲ ብቪድዮ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተወሳኺ እገዳ ክንበርን፡ ምዕቡል ጸረ-ነፈርቲ ኣጽዋር ክወሃቦን ተማሕጺኑ። “እዘን መሻርኽትና ናይ ብሓቂ መሻርኽቲ እንተዀይነን ካብ ስቕ ኢለን ተዓዘብቲ ጥራይ ዝዀና፡ ቅልጡፋት ክዀና ኣለወን” ኢሉ። ኲናት ዩክረይን፡ ኣብ ኣኼባ ሃገራት ጕጅለ ሸውዓተ ቀንዲ ዛዕባ ክኸውን፡ ንዩክረይን ብዙሕ መብጽዓታት ወተሃደራዊ ሓገዛት ክእተወላን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተወሳኺ እገዳታት ክንበርን ድማ ትጽቢት ይግበር። ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ፡ መጥቃዕቲታት ሚሳይል ሩስያ፡ \"ብሓደ ምቛምናን ንዩክረይን ምድጋፍናን ቅኑዕ ምንባሩ\" ኣረጋጊጾምልና እዮም; ድሕሪ ምባሉ፡ መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ሓድነታዊ ግንባር ንምቛም ይሰርሑ'ለው። ኣቐድም ኣቢሉ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክን [ኔቶ] ሃገራት ጕጅለ ሸውዓተን “ክፈላልየና... ግን ኣይተፈላለናን ኣይክንፈላለን ኢና’ውን” ኢሉ። እንተዀነ ኣብቲ ኣኼባ ዝርከብ ወኪል ቢቢሲ ጀምስ ላንዳለ፡ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ክልተ ዝተፈላለየ መርገጺታት የርእያ ከም ዘለዋ ብምግላጽ፡ ገለ መራሕቲ ነዊሕ ዝጠመተ ምሕዝነት ምስ ሩስያ ክሓርዩ እንከለዉ፡ ገለ ሃገራት ከኣ ክሳብ መወዳእታ ንዩክረይን ምድጋፍ ዝብል መርገጺ ሒዘን ምህላወን ሓቢሩ። ድሕሪ’ቲ ኣብ ጀርመን ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ሃገራት ጕጅለ ሸውዓተ፡ ከም መቐጸልታኡ ኣባላት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኣብ ስጳኛ ኣኼባ ከካይዳ እየን። ኣብቲ ኣኼባ ኣባላት ኔቶ’ውን ፕረዚደንት ዘለንስኪ መደረ ከስምዕ ትጽቢት ይግበር። ኣብ ኣኼባ ሃገራት ጕጅለ ሸውዓተ፡ መራሕቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኢንዶንዥያ፡ ህንድን ሰኔጋል ዕዱማት ኰይኖም ይሳተፉ ኣለዉ። ሩስያ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ኣብ ኪቭ፡ ኣብ ከተማታት ቸርሳኪን ካርቢን ከምኡ’ውን ኣብ ሰሜን ዩክረይን ኣብ ከተማታት ዛይቶመረን ለቪቭን ደብዳብ ሚሳይላት ኣካይዳ። እታ ብሚሳይል ዝተደብደበት ከተማ ለቪቭ፡ ካብታ ኣባል ኔቶ ዝዀነት ፖላንድ 30 ኪሎ ሜትር ጥራይ’ዩ ራሕቂ  ዘለዋ። ገለ ሚሳይላት ካብ ባሕሪ ካስፒያን ብምውንጫፍ፡ ልዕሊ 1450 ኪሎ ሜትር ተጓዒዞም ብልዕሊ ክሊ ሰማይ ቤላሩስ ሰጊሮም ኣብ ዩክረይን ይዓልቡ ምንባሮም መንግስቲ ዩክረይን ገሊጹ። ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ብቅኑዕ ዕላማኦም ዝሃርሙ ሚሳይላት፡ ኣብ ልዕሊ መደበራት ወተሃደራዊ ታዕሊም ዩክረይን ከም ዝደብደቡ ብምሕባር፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዕላማ ዝገበረ ደብዳብ ከም ዘየካየዱ ገሊጹ። ከንቲባ ከተማ ኪቭ፡ ቪታሊዩ ክሊሾንኮ፡ እቲ ደብዳብ፡ ቅድሚ ኣኼባ ሃገራት ጕጅለ ሸውዓተ ንዩክረይን ንምፍርራሕ ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ዩክረይን፡ ሩስያ ድሕሪ ሰሙናት ዝወሰደ ኵናት ንከተማ ሰቨሮዶንስክ ክትቈጻጸር ክኢላ ኣላ። ሰራዊት ዩክረይን ካብታ ከተማ ምስ ኣንሳሓቡ፡ ናብ ጥቃ እታ ከተማ ኣብ በሪኽ ቦታ ትርከብ ከተማ ለይስይቻንስክ ከም ዝተጠርነፉ እዩ ዝግለጽ። ሰራዊት ዩክረይን ኣብ ዞባ ሉሃንስክ ኣብ ከተማ ለይስይቻንስክ ጥራይ’ዩ ዝርከብ። ዞባ ሉሃንስክን ዶነስክን ብሓባር ኰይነን’የን ንዶንባስ ዘቝማ። ፕረዚደንት ፑቲን ከኣ ቀንዲ ዕላማኡ ንዶናባስ ምቍጽጻር ምዃኑ’ዩ ክሕብር ጸኒሑ።","category":"ዩክረይን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cx9yxpkn1gxo"} {"headline":"ቡርኪና ፋሶ፡ ምስ እስላማውያን ዕጡቓት ክዛተ ቅርብቲ እየ ኢላ","content":"መንግስቲ ቡርኪና ፋሶ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስቶም ኣብቲ ሃገራት ሳህለ ሳህራ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕትታት ዘካይዱ ዘለዉ እስለማውያን ዕቱቓት ዘተ ክገብር ድሉው ምህላዉ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ዞባ ዋላ እኳ ጽዑቕ ወተሃደራዊ ስርሒታት ይካየድ እንተኾነ፡ ጃሃዳውያን ዕጡቓት ዘውርድዎ ዘለዉ መጥቓዕትታት'ውን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እዩ እናዛየደ ዝኸይድ ዘሎ። ነቲ ኣብቲ ዞባ ብጀሃዳውያን ዕቱቓት ዝግበር ደባያዊ መጥቃዕትታት ንምቁጽጻር ፈረንሳ ልዕሊ 5000 ሰራዊት ኣብቲ ዞባ ኣዋፊራ ምህላዋ ይፍለጥ። ቀዳማይ ሚኒሰተር ቡርኪና ፋሶ ክሪስቶፍ ዳቢረ ብሓሙስ ንባይቶ ሃገሩ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ኣብ ሃገሩ ሰላምን ጸጥታን ንምውሓስ መንግስቲ ምስቶም ኣብቲ ዞባ ግብረሽበራዊ መጥቃዕትታት ዘካይዱ ዘለዉ እስላማውያን ዕጡቓት ንምዝታይ ቕሩብ ምህላዉ ገሊጹ። ንሱ ኣብቲ ዘስምዖ መደረ፡ ምብሑጓግ ጸጥታ ከብቕዕ ኣለዎ ብምባል እቶም ግብረሽበራዊ መጥቃዕትታት ዝፈጸሙ ግን ተሓተትቲ ናይቲ ዝፈጸምዎ ግብረሽብራዊ መጥቓዕቲ ምዃኖም ምጥቃሱ ኣገዳሲ እዩ ኢሉ። ጎሮባብቲ ቡርኪናፋሶ ዝኾና ሃገራት ማሊን ኒጀርን'ውን ኣቐዲመን ምስቶም እስለማዊ ዕጡቓት ክዛተያ ቅሩባት ምህላወን ምግላጸን ይፍለጥ እዩ። ፕረዚደንት ማሊ ነበር ኢብራሂም ባባኮር ከይታ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ፡ መንግሰቲ ምስቶም ምስ ኣልቓዒዳ ጥቡቕ ምትእስሳር ከምዘለዎም ዝግለጹ ኣብቲ ዞባ ግብረሽበራዊ መጥቃዕትታት ዘካይዱ እስላማውያን ጉጅለታት ዘተ ከካይድ ድሉው ምህላዉ ምግላጹ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ ነቲ ዝበሎ ኣብ ዝኾነ ደረጃ ከየብጽሖ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዕልዋ መንግስቲ ካብ ስልጣን ተኣልዩ። ኣብቲ ዞባ ሰራዊቱ ኣዋፊሩ ዝርከብ መንግስቲ ፈረንሳ ግን ነቲ እተን ሃገራት ምስ ጅሃዳዊ ጉጅለ ንምዝታይ ድልዋት ኣለና ምባለን ተቓዊምዎ ኣሎ።","category":"ኒጀር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/55945513"} {"headline":"ኒጀር፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጠመ ባርዕ ብውሕዱ 25 ህጻናት ተመሃሮ ቐቲሉ","content":"ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኒጀር ናሕሱ ብሳዕሪ ዝተሸፈነ ቤት ትምህርቲ ድሕሪ ምቅጻሉ ብውሕዱ 25 ካብ ሓሙሸት ክሳብ ሽዱሽተ ዓመቶም ተማሃሮ ከም ዝሞቱን ብዙሓት ሓደጋ ምንዳድ ከም ዘጋጠሞምን ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊጾም። እቲ ኣብ ዞባ ማራዲ ትማሊ ሰኑይ ዘጋጠመ ባርዕ፡ ተመሃሮ ኣብ ክፍሊ እናተማሃሩ እንከለዉ ከም ዘጋጠመን መበገሲ እቲ ባርዕ ይጻረ ምህላዉን ክፍለጥ ተገሊጹ። ኣብ ኒጀር እኹል ብመንደቕ ዝተሰርሐ መምሃሪ ክፍልታት ስለ ዘየለ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ብጣውላን ብሳዕርን ገይረን ክፍልታት ክውስኻ ምርኣይ ንቡር እዩ። ኣመሓዳሪ ከተማ ማርዲ ቻይቡ ኣቡቢካር ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ በቲ ባርዕ ሰለስተ ክፍልታት ምሉእ ንምሉእ ከም ዝተቃጸላ ገሊጹ። ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብዙሕ ሬሳታት ካብቲ ዝተቃጸለ ክፍልታት ክወጽእ ከም ዝርኣየን እቶም ብህይወት ዝተረፉ ናብ ሆስፒታል ንኽውስዱ ናብ መኪና እናተሰቐሉን ከም ዝተዓዘበን ሓቢሩ። ገለ ካብቶም ብህይወት ዝተረፉ፡ ብኸቢድ ዝተሃስዩ ከም ዝርከቡዎም'ውን ሰብ መዚ ገሊጾም ኣለዉ። እታ ቤት ትምህርቲ ክሳብ ተወሳኺ ሓበሬታ ዝውሃብ ተዓጽያ ክትጸንሕ እያ። ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት'ውን ኣብ ርእሰ ከተማ ኒጀር ኒያመይ ብተመሳሳሊ ሓደጋ መብዛሕትኦም ተማሃሮ መውዓሊ ህጻናት ዝርከብዎም 20 ተመሃሮ ምማቶም ዝዝከር እዩ።","category":"ኒጀር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59216872"} {"headline":"ኒጀር፡ ምሩጽ ፕረዚደንት ቃለ መሓላ ክገብር ኣብ ዝዳለወሉ እዋን ዕልዋ መንግስቲ ከምዝተፈተነ ሓቢራ","content":"ኒጀር፡ ምሩጽ ፕረዚደንት ቃለ መሓላ ንክፍጽም መዓልታት ምስ ተረፎ ንዝተፈተነ ዕልዋ ከምዘፍሸለቶ ገሊጻ። ገለ ዕጡቓት ንቤተመግስቲ እታ ሃገር ክቆጻጸርዎ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን፡ ብኣሃዱ ሓለዋ ፕረዚደንት ከምዝተመልሱ ጸብጻባት ሓቢሮም። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ደሞክራስያዊ ምርጫ ዝተዓወተ ምሩጽ ፕረዚደንት መሓመድ ባዙም፡ ጽባሕ ዓርቢ በትረስልጣኑ ክሕዝ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን'ዩ እቲ ፍጻመ ኣጋጢሙ ዘሎ። ኣብ 1960 ናጽነታ ዝረኸበት ኒጀር እዚ ናይ ሎሚ ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ስልጣን ኣብ ታሪኻ ንመጀመርታ ግዜ ትርእዮ ዘላ ክስተት እዩ። ሕቡራት ሃገራት ዝርዝር ናይ 189 ሃገራት ኣብ ዘውጽኣሉ፡ ሃገረ ኒጀር ካብ ዓለም እታ ዝደኸየት ሃገር ኢሉ ሰሪዕዋ ኣሎ። ሃገረ ኒጀር ኣብ ታሪኻ ኣርባዕተ ግዜ ወተሃደራዊ ዕልዋታት ዝተኻየደላ ሃገር ኮይና እቲ ዝቐረበ ኣብ 2010 ዝተፈጸመ እዩ። ገለ ነበርቲ ርእሰ ከተማ ሚያመይ፡ ብኣቆጻጽራ ሰዓት ናይቲ ኸባቢ ረቡዕ ሰዓት ሰለስተ ናይ ንግሆ ብርቱዕን ጽዑቕን ምልውዋጥ ናይ ቶኵሲ ከምዝሰምዑ ገሊጾም። እቶም ዕጡቓት፡ ካብቲ ኣብ ከባቢ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝርከብ መደበር ሓይሊ ኣየር ዝመጽኡ ከምዝኾኑ እዩ ዝግመት። ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደነት ክኣትዉ ኣብ ዝፈተንሉ ካብ ሓለውቲ እቲ ቤት ጽሕፈት ግብረ መልሲ ናይ ቶኵስን ዳርባ ናይ ቦንባታት ምስ ኣጋጠሞም ግን ካብቲ ቦታ ከምዝሃደሙ ጸብጻባት ሓቢሮም። ውሃቢ ቃል መንግስቲ ኒጀር፡ ብዙሓት ካብቶም ዕጡቓት ተታሒዞም ከምዘለዉ ብምሕባር፡ ነቲ 'ዕልዋ' መን ከምዝወጠኖ የጻርዩ ከምዘለዉ ገሊጹ። ንሱ ብምስዓብ \"ነቲ ዲሞክራስን ልዕልና ሕግን ንኽህሉ ሃገርና ክምህ ከይበለት ትሰርሓሉ ዘላ ኣገባብ ጅሆ ንምሓዝ ዝፈተኑ ናይ ጃጀውትን ድሑራትን ተግባር ዝፈጸሙ መንግስትና ይኵንኖም\" ኢሉ። እዚ ኣብ ሰልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ማሓማዱ ኢሰውፉ ክልተ ነናይ ሓሙሽተ ዓመት እብረ ድሕሪ ምምርሑ እዩ ስልጣኑ ጽባሕ ዓርቢ ዘረክብ ዘሎ። ንዕኡ ተኪኡ ጽባሕ ዓርቢ ቃለ መሓላ ዝፍጽም ምሩጽ ፕረዚደነት ሞሓመድ ባዙም ኣቐዲሙ ሚኒሰትር ውሽጣዊ ጉዳያት ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ እዩ። ኣብታ ብዕልዋ መንግስቲ እትልለ ሃገር፡ እዚ ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ስልጣን ዓለምለኻዊ ናእዳ ክረክብ ጸኒሑ እዩ። እንተኾነ መወዳድርቲ ምሩጽ ፕረዚደነት ሞሓመድ ባዙም ዝኾነ ማሓመነ ዖስማነ ብውጽኢት ሞሓመድ ባዙም ዝተመረጸሉ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣይተቐበሎን ዘሎ። ድሕሪ ዓወት ሞሓመድ ባዙም፡ ኣብታ ሃገር ብጅሃዳውያን ዕጡቓት ዝግበር መጥቃዕቲ ከምዝዛየደን፡ ፖሎቲካዊ ወጥሪ ከምዝወሰኸን እዩ ዝሕበር። ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ እታ ሃገር ዝኸፈአ ዝተባህለሉ ብጅሃዳውያን ዕጡቓት መጥቃዕቲ ተፈጺምዋ፡ እቶም ጅሃዳውያን ጉጅለታት ንሰለስተ ዓድታት ብምጥቃዕ 137 ሰባት ቀቲሎም።","category":"ኒጀር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56599651"} {"headline":"ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ጅሃዳውያን ዕጡቓት ዝግበር ቃልሲ ስለምንታይ'ዩ ኣጸጋሚ ኮይኑ?","content":"ሳሕል ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ኣፍሪቃ ዝርኣይ ዘሎ ምትእትታው ሽብርተኛታት ንምዕጋት ኩለ መዳያዊ ጻዕሪ ይግበር ኣሎ። 400 ወተሃደራት ብሪጣንያ ተዋፊሮምላ ዘለው ማሊ፡ ኣብ ውሽጢ ትሸዓተ ኣዋርሕ ጥራሕ ዞባዊ መራሕቲ ዝኾነኑዎ ዕልዋ መንግስቲ ክልተ ሳዕ ተኻይዱ። ፈረንሳ ኣብታ ሃገር ዘለው ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ወተሃደራታ ከም እተውጽእ ክተጠንቅቕ እንከላ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስታ ሃገር ዝነበራ ወተሃደራዊ ጥምረት ደው ኣቢላ ትርከብ። ብተወሳኺ ስፔን ምስ ሞሮኮ ብዝኣተወቶ ምስሕሓብ ብኣመሪካ ካብ ዝምራሕ ናይ ብዙሓት ሃገራት ጥምረት ወጺኣ። እዚ ንምዕራብ ኣፍሪቃን ነቲ ዞባን ዝጸሉ ኮይኑ፡ ካልኦት ሃገራት ንዝገብርኦ ዘለዋ ጻዕሪ'ውን ምትንካፉ ኣይተርፍን። እዚ ሳሕል ተባሂሉ ዝፍለጥ ከባቢ ኣፍሪቃ ብዙሓት ናብ ኤውሮጳ ዝሰግሩ ስደተኛታት ዝመሓላለፍሉ መገዲ'ዩ። ብተወሳኺ ቐንዲ መተሓላለፊ መስመር ዘይሕጋዊ ዕጸፋርስ፣ ኣጽዋራትን ጅሃዳውያን ዕጡቓትን'ውን እዩ፥ ኣልቃዒዳ ዝርከቦም እስላማዊ ጉጅለ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ተደፊኦም ምስ ወጽኡ ኣፍሪቃ ማእከል ሓድሽ ሰፈርኦም ክገብሩዋ ስትራቴጂካዊ ውሳነ ገይሮም ኣለው። ኣብ ከም ማሊ ዝኣመሰላ ሃገራት ሳሕል ናዕብን ቅልውላውን ከምኡ'ውን ስግኣት ድሕነት እንተነጊሱ ክልተ ነገራት ክፍጠሩ ይኽእሉ። ሓደ፡ ጅሃዳውያን ዕጡቓት ኣብ መላእ ዓለም መጥቃዕቲ ክፍጽምሉ ዝኽእሉ ሓድሽ ጂኦግራፊያዊ መዓስከር ክፍጠር ይኽእል። ካልኣይ ድማ ብምኽንያት ኣብ ሃገሮም ዘሎ ዘይምርግጋእ: ልዑል ቑጽሪ ዘለዎም ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቑባን ናብ ኤውሮጳ ክጉዓዙ ክጅምሩ'ዮም። ስለዚ ኣብዚ እዋን፡ ጅሃዳውያን ዕጡቓት ናብቲ ከባቢ ከይኣትውን ኣገደስቲ ቦታታት ከይሕዙን ጽዑቕ ምክልኻል ክግበርን ኣብ ዘለውዎ ክዕገቱን ክኽእሉ ኣለዎም። ኣብ ሳሕል፡ ጸገማት ድርቂ፣ ብልሽውና፣ ድኽነት፣ ሰእነት ስራሕን ዓሌታዊ ምክፍፋላትን ጎሊሖም ዝርኣዩ ኮይኖም፡ ካብዚ ንላዕሊ'ውን ክኸዱ ከም ዝኽእሉ ይስጋእ። ኣብ ሄግ ኣብ ዝርከብ ዓለምለኻዊ ማእከል ቓልሲ ግብረሽበራ ላዕለወይቲ ተመራማሪት ዝኾነት ጁሊ ኮልማን ብዙሓት መናእሰይ ማሊ ናብቶም ኣኽረርቲ ጉጅለታት ንክጽምበሩ ምኽንያት ዝኾኖም ጸገማት ካብ ስሮም ክርኣዩ ብዘይምኽኣሎም እቲ ዝግበር ዝነበረ ጻዕሪ ውጽኢታዊ ክኸውን ኣይክኣለን ትብል። \"ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ማሊ ካብ ዝኣቱ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ጀሚሩ፡ እቲ ኩነታት እናኸፍአ'ዩ መጺኡ። ቑጽሪ ናብቶም ዕጡቓት ጉጅለታት ዝጽምበሩ መናእሰይ ማሊ ወሲኹ፤ እቲ ዝፍጸም መጥቃዕታት'ውን ብኡ ልክዕ ወሲኹ\" ትብል። ምስዚ ብዝተኣሳሰር ሓይልታት ጸጥታ \"ግፍዓዊ ቅትለትን ብሄር መሰረት ዝገበረ ማእሰርትን\" ዝርከቡዎም \"ከበድቲ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት\" ይፍጽሙ'ዮም ትብል። ኣብ ክሊ እዚ እቲ ካብ ጅሃዳውያን ዕጡቓት ዝመጽእ ስግኣት ምዕጋትን ምቁጽጻርን ዝብል ንርእሱ ተወሰኽቲ ማሕለኻታት ከም ዘለውዎ እዩ ዝግለጽ። እዚ ካብ ሞሪታኒያ፣ ማሊ፣ ኒጀር፣ ክሳዕ ጫድን ቡርኪናፋሶን ዝዝርጋሕ ከባቢ ሳሕል፡ ኣስታት ሰለስተ ሚሊየን ትርብዒት ኪሎ ሜትር መሬት ዝሽፍን ኮይኑ፡ ናብ ናይጀሪያ ልሒኾም ዝኣተው መጥቃዕታት ጅሃዳውያን ካብዚ ዝብገሱ'ዮም። እዚ ከባቢ፡ ጽዑቕ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዎ፣ ኣዝዩ ዝጠፈሸ\/ ዝደኸየ፣ ብኣግባቡ ዘይተመሓደረ፣ ዶባቱ ዘይሕጋዊ እጻት፣ ስደተኛታትን ኣሸበርቲ ጉጅለታትን ንምዝውዋር ዝውዕል ዘሎን'ዩ። ነዚ ኹሉ፡ ሓንቲ ሃገር ንበይና ክትቃለሶ ኣይትኽእልን። ፈረንሳ ኣብ 2013 ዕጡቓት ኣልቃዒዳ ናብ ርእሰ ከተማ ማሊካ ባማኮ ከይኣትው ንምክልኻል ኣቐዲማ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ዘርኣየት ሃገር ኮይና፡ ዝተዋደደ ምትሕግጋዝ ከም ዘድሊ ግን ይእመን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብታ ሃገር ክልተ ወተሃደራዊ ልኡኻት ኣለው። እቲ ሓደ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ፡ ካብ 56 ሃገራት ዝተወጻጽኡ ልዕሊ 14 ሽሕ ወተሃደራት ዝሓቐፈ'ዩ። ኣብዚ ገሊኦም ሓደሽቲ ኮይኖም ኣብ ጎኒ ሓይልታት ማሊ ተሰሊፎም ክሳብ በረኻታትን ርሑቕ ቦታታትን ብምኻድ ጻዕሪ ይገብሩ ኣለው። እቲ ካልእ፡ ፈረንሳ እትመርሖ ልኡኽ ቃልሲ ኣንጻር ግብረ ሽበራ እዩ። እዚ መጥቃዕታት ድሮንን ነፈርትን ዝሓውስ ብትካል ስለያ ኣመሪካ ዝሕገዝ እዩ። እቲ ናይ ስለያ መሓውር ኣብ መላእ ዶባት እቲ ዞባ ዝንቀሳቐሱ ጅሃዳውያን ጉጅለታት ኣብ ምጽናዕ ትኹረት ይገብር። ይኹን'ምበር ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝነበረ ተሞክሮ ዓብዪ ትምህርቲ'ዩ። ብዝግባእ ዝዓጠቑ ወተሃደራት ምውፋርን ምትእትታው ምዕራባውያን ሃገራትን ክህሉ ይኽእል'ዩ። እቲ ኣንጻር ኣሸበርቲ ጉጅለታትን ዕጡቓትን ዝግበር ቃልሲ ንክዕወት ግን ክልተ ወሰንቲ ነገራት ክፍጸሙ ኣለዎም። ንሳቶም ድማ ሓያል ከባብያዊ ሓይልን ህዝባዊ ደገፍን'ዮም። ኣብ ማሊ ንኣብነት፡ እዚ ክልቲኡ ጸገም ኣሎ። ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ እምነት ዘለዎ ህዝቢ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዙሓት ፖለቲከኛታት ናይ ፈረንሳን ካልኦት ሓይልታት ወጻእን ካብታ ሃገር ክወጽኡ ሓቲቶም ነይሮም። ይኹን'ምበር ካብ 2013 ጀሚሩ ብዙሓት ወተሃደራት ፈረንሳ መስዋእቲ ከፊሎም'ዮም። ኣብ ማሊ ንኻልኣይ ግዜ ድሕሪ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ: ፕሬዝደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን \"ፈረንሳ ኣብ ጎኒ ዴሞክራሲያዊ ሕጋውነት ዘይብላ ሃገር ኣይትስለፍን\" ዝብል ርኢይቶ ሂቡ። ኣመሪካ ኣሸበርቲ ጉጅለታት ኣብ ዞባ ሳሕል ይደላደሉ ምህላዎም ካብ እትፈልጥ ነዊሕ እንተኾና'ውን፡ ኣብ ሞንጎ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ግን ነተን ኣንጻር ግብረ ራዕዲ ዝቃለሳ ሓይልታት ከቢድ ፈተና ይኾነን ኣሎ። ኣብ ቀረባ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ሞሮኮ: ብ1975 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ዝተቖጻጸረቶ መሬት ሳሕል ትሕዝቶኣ እዩ ኢሉ ኣጽዲቑላ ምንባሩ ይዝከር። ስፔን ነዚ ክትቃወሞ እንከላ፡ ህዝብታት ሰሃራ ዓርሰ ውሳነ ክገብሩ መሰል ኣለዎም ኢላ። ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ድማ ስፔን መራሒ ጉጅለ ተቓውሞ ሳሃራዊ ዝኾነ ፖሊሳሪዮ ኣብ ሆስፒታል ስፔን ሕክምና ኮሮናቫይረስ ክግበረሉ ኣፍቂዳ። ነዚ ግብረ መልሲ ዝሃበት ሞሮኮ፡ 10 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ስፔን ክኣትው ኣፍቂዳ። ካብዚ ብዝተላዕለ ሕጂ ስፔን ካብቲ ብምትሕብባር ኣመሪካን ኣፍሪቃን ኣብ ምዕራብ ሰሃራ ዝተዋፈረ ካብ ትሸዓተ ሃገራት ዝተወጻጽአ ሸውዓተ ሽሕ ወተሃደራት ዝሓቖፈ ዝዓበየ ዓመታዊ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ወጺኣ ኣላ። ዕልዋ መንግስቲ፣ ብልሽውናን ዘይምውህሃድን እቲ ዞባ ነቶም ግብረ ሽበራውያን ዓበይቲ ዕድላት ይፈጥሩ ምህላዎም እዩ ዝእመን። እዚኦም ክፍትሑ ብዘይምኽኣሎም እቶም ዕጡቓት ዳግም ንክውደቡ፣ ንክዕጠቑን ውዲት መጥቃዕታቶም ክፍጽሙን ዕድል ይህቡዎም ኣለው። ኣብ ሳሕል ዘሎ ኩነታት ሓደገኛ'ዩ፤ ግን ድማ ኣብቲ ዞባ ተዋፊረን ዘለዋ ሃገራት ትጽቢት ዝግበረን ዕማም ኣሎ። ይኹን'ምበር እቲ ዝግበር ወተሃደራዊ ሓገዛት ህዝቢ ዝሓሸ ምምሕዳር ንክፈጥር ዝሕግዝ እንተዘይኮይኑ ኩሉ ጻዕሪ ማይ ምዕማኹ ኣይተርፍን።","category":"ኒጀር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57340430"} {"headline":"ኣብ ሰሜናዊ ናይጄርያ ኣብ ስርዓተ ቀብሪ ዝነበሩ 65 ሓዘንተኛታት ብቦኮሓራም ተቐቲሎም","content":"ኣብ ሰሜናዊ ናይጄርያ ግዝኣት ቦርኖ፡ ዕጡቓት ቦካሓራም ከምዝኾኑ ብዝእመኑ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ 65 ሰባት ተቐቲሎም። መሰኻኽር ዓይኒ ከምዝገለፅዎ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ብሞተርሳይክልን መኻይንን ተፃዒኖም ዝመፅኡ ዕጡቓት፡ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ይፍፅሙ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሓዘንተኛታት፡ ነዚ መጥቃዕቲ ፈፂሞም። ኣብ ሓዘን ዝነበሩ ሰባት፡ ብዝተተኮሱ ጠያይቲ ሻቡ ንሻቡ ህይወቶም እንክሓልፍ፡ ነዚ ተግባር ንዝፈፀሙ ዕጡቓት ንምሓዝ ዝሰዓቡ ካልኦት ሰባት እውን ከምዝተቐተሉ ተገሊፁ። ኣብቲ ዞባ ብእስላማዊ ዕጡቓት ዝፍፀሙ መጥቃዕትታ ካብ ግዘ ናብ ግዘ ይውስኹ ኣለዉ። ኣማሓዳሪ እቲ ከባቢ ሙሓመድ ቡላማ፡ እዚ ሕዚ ተፈፂሙ ዘሎ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ብነበርቲ እቲ ከባቢ ንዝተቐተሉ 11 ዕጡቓት ቦኮሓራም፡ ሕነ ንምፍዳይ ዝተወሰደ ስጉምቲ ከምዝኾነ ገሊፆም። ጋዜጠኛታት ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ፡ ሰባት ሬሳ ፈተውቶምን ኣዝማዶምን ክእክቡ ተዓዚቦም። ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ብዝተፈጠሩ ጎንፅታት፡ ህይወት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ዜጋታት ዝጠፍአ እንክኸውን፡ ልዕሊ ክልተ ሚልየን ሰባት ድማ ተመዛቢሎም እዮም። 'ምዕራባዊ ትምህርቲ ሓራም እዩ' ዝብል ትርጉም ዝሓዘ ስያመ ቦካሓራም፡ ሰዓቲ ሃይማኖት እስልምና፡ ምስ ሃገራት ምዕራብ ዝተሓሓዝ ፖለቲካውን ማሕበራውን ምንቅስቓስ ከይህልዎም ዝኽልክል ቅዋም የሰጉም። ጉጅለ ቦኮሓራም ካብ ናይጄርያ ሓሊፉ፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ቻድ፣ ኒጀርን ካሜሮንን'ውን ንጡፍ ምንቅስቓስ ነይርዎ። እዚ ህይወት ኣእላፍ ሰባት ከምዘጥፍአ ዝግለፅ ጉጅለ፡ ስሙ ዝገነነን ቀልቢ መራኸቢ ሓፋሽ ዓለም ዝሰሓበን፡ ድሕሪ እቲ ኣብ 2014 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣስታት 300 ደቂኣንስትዮ ተምሃሮ ቺቦክ ምጭዋዩ እዩ። ኣብ 2015 እውን፡ ብ 'ትካል ቁጠባን ሰላምን'፡ ናይ ዓለም እቲ ቀንዲ ቀታሊ ጉጅለ ራዕዲ ( ግብረ ሽበራውያን) ተብሂሉ ተሰሪዑ ነይሩ።","category":"ኒጀር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49148901"} {"headline":"ኣብ ኒጀር ንዓመታት ክጽበዩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ሎሚ ጀርመን ኣትዮም","content":"ኣብ ኒጀር ዝጸንሑ ልዕሊ 60 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምትሕብባር ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ናብ ሃገረ ጀርመን ተሰጋጊሮም። እቶም ሎሚ ሓሙስ ናብ ጀርመን ዝኣተዉ ስደተኛታት ብሰንኪ ክስተት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ክጽበዩ ዝጸንሑ'ዮም። ናብ ጀርመን ክሰጋገሩ ክጽበዩ ዝጸንሑ ኣስታት 123 ክኾኑ እንከለዉ፡ ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 107 ካብኦም ሰሊጥዎም ኣሎ። እቶም 10 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 16 ግን ዝገበርዎ ናይ ሕክምና መርመራ ክሳብ ዝውዳእ ይጽበዩ ምህላዎም፡ ገለ ካብቶም ስደተኛታት ንቢቢሲ ሓቢሮም። ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ፡ እቶም ትጽቢት ዝነውሖም ስደተኛታት እቲ ዝተኣትወሎም ቃል ብዘይምፍጻሙ ሰላማዊ ሰልፊ ብምውዳብ ተቓውሞታት ኣካይዶም ምንባሮም ይዝከር። እቶም ስደተኛታት ካብቲ ኣብ ሊብያ ዝነበረ ዘይርጉእ ኩነታት ናብ ውሑስ መሰጋገሪ ማእከል ክጸንሑ ተባሂሎም'ዮም ካብ መወዳእታ 2017 ጀሚሮም ናብ ኒጀር ግዒዞም። ሓደ ካብቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝኾነ ሜሮን መሓሪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ \"ንሕና ከምቲ ዝፍለጥ፡ ብመንገዲ ምትሕብባር ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር [ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት] ካብ መወዳእታ 2017 ኣትሒዝና ናብ ሳልሳይ ሃገር ንምስግጋር ካብ ሊብያ ዝመጻእና ኴንና፡ ናብ ሃገረ ጀርመን ንምጥያስ ንኣስታት ዓመትን ሸሞንተ ወርሕን ዝተጸቤና\" ኢሉ። እታ ናብ ኣውሮጳ ዝኣትዉ ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝሓልፉላ ሊብያ፡ ኣብ 2011 ኣብ ኲናት ሓድሕድ ካብ ትኣቱ ንድሓር፡ ስደተኛታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝወደቑ ይዝከር። ኣብ መዳጐኒታት ዝበጽሖም ግፍዕታትን ይኹን ካብ ኣሰጋገርቲ ዝወርዶም ኣካላዊ ማህሰይቲን ምዝመዛን ዓለም ዘዛረበ'ዩ ነይሩ። ገለ ካብኦም'ውን ከም ኣቕሓ ዝተሸጡን ዝተለወጡን ይርከብዎም። ሜሮን ከምዝብሎ፡ ፈለማ ኤርትራውያን፡ ሶማላውያንን ሱዳናውያንን ዝርከብዎም ኣስታት 6000 ስደተኛታት ናብ ኒጀር ክግዕዙ እንከለዉ፡ መብዛሕትኦም ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብምስግጋሮም፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ልዕሊ 500 ኣብ ኒጀር ተሪፎም ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውን ስደተኛታት ካብ ሃገሮም ሃዲሞም ናብ ስደት ከምዝወጹ ጸብጻባት ይሕብሩ። ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ፡ ገደብ-ኣልቦ ግዱድ ዕስክርናን፡ ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ናጽነታትን፡ ከምኡ'ውን ፖለቲካዊ እገዳታትን ምዃኑ ተጣበቕቲ ይገልጹ።","category":"ኒጀር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57273274"} {"headline":"ኒጀር፡ ብውሑዱ 60 ሰባት ብዕጡቓት ተቐቲሎም","content":"ዕጡቓት ኣብ ዶብ ኒጀርን ማልን ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ብዝኸፈትዎ ቶኵሲ ብውሑዱ 60 ሰባት ተቐቲሎም። ነዚ መጥቓዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደሉ ጉጅለ እኳ እንተዘይሃለወ፡ ኣብቲ ከባቢ ዳዕሽን በቲ ኣብ ናይጀርያ ዝመደበሩ ቦኮ ሓራምን ዝድገፉ ዕጡቃት ብብዝሒ መጥቓዕቲ ከም ዘካይዱ ዝፍለጥ'ዩ። እዚ መጥቓዕቲ ነቲ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ዝኣወጆ ሰዓታት እቶ እቶ ንሰለስተ ኣዋርሕ ከመዝናወሖ ድሕሪ ምሕባሩ'ዩ ተፈጺሙ። ሰራዊት ኒጀር ነቶም ዕጡቓት ጉጅለታት ንምቁጽጻርን ዝርገሐኦም ንምጽባብን ኣብ ምርብራብ ከምዘለዉ እዮም ሰብ መዚ ኒጀር ዝሕብሩ። ንጸጥታዊ ኩነታት እቲ ከባቢ ዝከታተሉ ሰብ ሞያ፡ እቲ ኣብ ኒጀር ዘሎ ናዕቢ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናበኣሰ ይኸይድ ከምዘሎን፡ ብኡ መንጽር ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝግበር መጥቓዕቲ እዉን ብመጠኑ ይውስኽ ከምዘሎ ይሕብሩ። ቅድሚ ሳምንታት እውን ብዳዕሽ ዝድገፉ ጉጅለታት ኣብ ዶብ ማሊን ኒጀርን ተመሳሳሊ መጥቓዕቲ ፈጺሞም ምንባሮም ጋዜጤኛ ቢቢሲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ልዊዝ ዲዋሳት ይሕብር። ብሓፈሻ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብቲ ዞባ ግኑናት ኮይኖም ብጂ5 ዝፍለጣ ሃገራት ቡርኪናፋሶ፡ ማሊ፡ ሞሪታንያን ጫድን፡ ምንቕስቓስ እቶም ዕጡቓት ጉጅለታት ንምግታእ ብልፍንቲ ይሰርሓ ምህላወን ይፍለጥ።","category":"ኒጀር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50754260"} {"headline":"ዕጡቓት ኒጀር፡ ሽዱሽተ ፈረንሳውያን ስራሕተኛታት ረድኤት ቀቲሎም","content":"ዕጡቓት ኒጀር ኣበ እልዕሊ ሰራሕተኛታት ረድኤት ብዘብፍሑዎ መጥቃዕቲ ሽዱሽተ ፈረንሳውያን ሰራሕተኛታት ሓዊሱ ሸሞንተ ሰባት ከም ዝቐተሉ ሰብ መዚ ገሊጾም። እቲ መጥቃዕቲ ሞተር ሳይክል ሒዞም ተኹሲ ብዝኸፈቱ ዕጡቓት ክፍጸም እንከሎ፡ ምስቶም ሰራሕተኛታት ረድኤት ዝነበሩ መራሒ መኪናን መራሒ ዑደትን እውን ከም ዝተቐትሉ ኣመሓዳሪ ክልል ቲላቤሪ ቲጃኒ ኢብራሂም ንማዕከን ዜና ፈረንሳ ተዛሪቡ። እቶም ፈረንሳውያን መስሕብ በጻሕቲ ዓዲ ኣብ ዝኾነት ኮሬ ኣብ ዝተባህለት ዞባ ምስ በጽሑ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ተሪፈን ዝበሃላ ዕስለ ዘራፍ ንምርኣይ ጠጠው ምስ በሉ'ዮም ተቐቲሎም። መንግስቲ ፈረንሳ'ውን ሞት ዜጋታቱ ኣረጋጊጹ እዩ። ሚኒስትሪ ምክልኻል ኒጀር ኢሶኡፎኡ ካታምቤ ንሮይተርስ ከም ዝበሎ፡ እቶም ፈረንሳውያን ንሓደ ዓለማዊ ትካል ረድኤት ዝሰርሑ ዝነበሩ እዮም። ኣክትድ ዝተባህለ ትካል ሰብኣዊ ሓገዝ ፈረንሳ ሰራሕተኛታቱ በቲ መጥቃዕቲ ከም ዝሞቱ ሓቢሩ። ፕሬዝደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ምስ ኒጀራዊ መዘንኡ መሓመድ ኢሶኡፎኡ ከም ዝተዘራረበ ተገሊጹ ኣሎ። ቢቢሲ ኣብ ዘረጋገጾ ስእሊ፡ ኣስክሬን እቶም ዝተቐትሉ ውልቀሰባት ኣብ ጎኒ ዝጉኣዙላ ዝነበረት መኪና ኣብ መሬት ወዲቑ የርኢ፤ እታ መኪና ድማ ተቓጺላ እያ። እቲ መጥቃዕሊ ብመን'ዩ ተፈጺሙ ዝብል ክሳብ ሕጂ ግልጺ ኣይኮነን፤ ግን ድማ ኣብ ኒጀር ዝንቀሳቐሱ ጂሃዳዊ ጉጅለታት ኒጀር ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት። መንግስቲ ፈረንሳ፡ ዜጋታቱ ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት እታ ባዕዳዊ ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበረት ኒጀር ክንቀሳቐሱ ኣይመክርን፡፡ ፈረንሳ ካብ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ፡ ነቲ ኣብ ዞባ ሳሕል ብጥምረት ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪካን ኣውሮጳውያን ደግፍቶምን፡ ኣንጻር እስላማውያን ሚልሻታት ዝካየድ ዘሎ ውፍሪ እናመረሐቶ እያ፡፡","category":"ኒጀር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53719328"} {"headline":"ዕልዋ መንግስቲ ቡርኪናፋሶ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ንምንታይ'ዩ ንፕረዚደንት ካቦረ ኣልዩዎ?","content":"እቲ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ገና ኣይረገአን ኣሎ፡ ትጽቢት ዘይተገበረሉ ግን ኣይነበረን። ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብተደጋጋሚ'ዩ ዕልዋ መንግስቲ ክካየድ ጸኒሑ፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ቡርኪናፋሶ ሮች ካቦረ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ኸኣ ኣብ ውሽጢ 17 ኣዋርሕ ራብዓይ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ። መዳውብቲ ቡርኪናፋሶ ዝኾነት ሃገረ ማሊ፡ ኣብ ዝሓለፈ 17 ኣዋርሕ ክልተ ግዜ'ዩ ዕልዋ መንግስቲ ተኻይዱላ፡ ቀንዲ ምኽንያት ናይቲ ዕልዋ መንግስቲ ኸኣ፡ መንግስቲ ኣብቲ ዞባ ኣንጻር እስላማውያን ዕጡቓት ኣብ ዝግበር ቃልሲ ሶንኮፍ ኣተሓሕዛ እዩ ነይርዎ ዝብል እዩ። ልክዕ ከም ናይ ማሊ ፕረዚደንት ካቦረ'ውን ጠንቂ ዕልውኡ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ምንቅስቓስ ናይ ኣልቓዒዳን ዳዕሽን(ኣይኤስን) ምትሕሓዝ ከምዘለዎ'ዩ ተገሊጹ ዘሎ። ብሰንበት ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኡጋዱጉ ኣብ ዝርከቡ ሓያ ወተሃደራዊ መዓስከራትን ኣብ ከተማታት ካያን ኣውሂጋውያን ወተሃደራዊ ኣብያ ከምዝተሰምዐ ጸብጻባት ክወጽኡ ጀሚሮም። እቲ ኣድማ መቐጸልታ ናይቲ ኣዋርሕ ዘቁጸረ ፕረዚደንት ካቦረ ካብ ሰልጣኑ ክወርድ ዝጠልብ ኣንጻር መንግስቲ ዝካየድ ዝነበረ ህዝባዊ ናዕቢ ምዃኑ'ዩ ተሓቢሩ። እቲ ኣብታ ሃገር ካብ 2015 ኣትሒዙ ዝተጀመረ መጥቃዕትታት እስላማውያን ዕጡቓት ጠንቂ ሞት ልዕሊ 2000 ሰባትን ምኽንያት ምፍንቓል 1.5 ሚልዮን ሰባትን ከምዝኾነ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይጠቅስ። ኣብ ዝበዝሐ ክፋል እታ ሃገር ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታ ኣብያተ ትምህርቲ ምሉእ ንምሉእ ተዓጽየን እየን። ኣብ ሰነ 2021 ኣብ ሰሜናዊት ቁሸት ሳልሃን ካብ ማሊ ዝሰገሩ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሰለማውያን ሰባት ምስ ሞቱ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ፕረዚደንት ካቦረ ዝነበሮ እምነት ባይታ ዘቢጡ። ድሕሪ መጥቃዕቲ ሳልሃን ኣብ ርእሰ ከተማ ኡጋዱጉ ህዝባዊ ተቓውሞ ስለዝበኣሰ፡ ፕረዚደንት ካቦረ ንሚኒስተራቱ ብምቅይያር ንገዛእ ርእሱ ሚኒስተር ምክልኻል ብምግባር መዝነት ደሪቡ። ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021 ኣብ ኢናታ ትብሃል ከተማ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ምስ ተፈጸመ እቲ ህዝበዊ ተቓውሞ እናሓየለ መጺኡ። በቲ መጥቃዕቲ 50 ወተሃደራት መንግስቲ ክቕተሉ እንከለዉ፡ ሓለፍቲ እታ መዓስከር ቅድሚ ክልተ ሰሙን ናይቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብቲ መዓስከር ዝኾነ መሻርፍ [መግቢ] ከምዘየለ ንመንግስቲ'ኳ ሓቲቶም እንተነበሩ ክሳብ እዋን መጥቃዕቲ ዝኾነ መልሲ ከምዘይተውሃቦም'ዮም ገሊጾም። ፕረዚደንት ካቦረ ድሕሪ መጥቃዕቲ ናይ ኢናታ ንኹሎም ሓለፍቲ መንግስቲ ብምድስካል ሓዲሽ ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ምክልኻልን ሮቊሑ፡ ምስ ተቓወምቲ እታ ሃገር ናብ ሰላም ዘምርሕ ሃገራዊ ዕርቂ ክካየድ'ውን ጻውዒት ኣቕሪቡ። ሃገረ ቡርኪናፋሶ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ፖሎቲካዊ ዘይርጉኡነት ኣብ ዝነበረሉ ክሳብ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሓ ፕረዚደንት ብላይዝ ኮምፓረ ኣብ 2014 ካብ ስልጣን ዝእለ ብተዛማዲ ህድእ ዝበለት እያ ነይራ። ኣብ 2015 ኣብታ ሃገር ዝተኻደ ዕልዋ መንግስቲ ንወተሃደራት እታ ሃገር ኣብ ክልተ ገሚዕዎም። ፕረዚደንት ካቦረ'ውን ኣብቲ ዓመት'ዩ ነታ ሃገር ናብ ምሉእ ሓድነት ከምዘምጽኣ ብምምብጻዕ ፕረዚደንት ኮይኑ ተመሪጹ። እንተኾነ ካቦረ ኣብ ስልጣን ነዊሕ ከይገበረ፡ እቶም ካብ 2012 ጀሚሮም ኣብ ማሊ መጥቃዕትታት ከካይዱ ጀሚሮም ዝነበሩ ጅሃዳውያን ዕጡቓት ካብ ማሊ ሰጊሮም ኣብ ርእሰ ከተማ ቡርኪናፋሶ መጥቃዕቲ ከካይዱ ጀሚሮም። እቲ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝነበረ ልሕሉሕ ሰንሰለት ናይ ጸጥታ ነቶም ጅሃዳውያን ዕጡቓት ዝያዳ መጥቃዕትታት ንኽፍንዉ ጥጡሕ ባይታ ከምዝኾነሎም ኸኣ ብዙሓት ይሰማምዑ። እቶም ጅሃዳውያን ዕጡቓት ነቲ ኣብታ ሃገር ኣብ ሞንጎ እስላምን ክርስትያንን ዝነበረ ሕዱር ወጥሪ ዝያዳ ከምዘጎሃሃርዎ'ውን ይጥቀስ'ዩ። ብዘይካ እዚ፡ እቶም ጅሃደውያን ጉጅለታት ነቶም ኣብ ድኽነት ዝተደሃኹ ብመንግስቲ ደገፍ ዝተነፍጎም ክፋላት ናይ ሕብረተሰብ ንዋታዊ ሓገዛት ብምሃብ ብረት ሒዞም ኣብ ጎድኖም ከምዝስለፉ ከምዝገበርዎም ይግለጽ። ኣብቲ 2020 ዝተኻየደ ካቦረ 58 ሚኢታዊት ድምጺ ብምርካብ ንኻልኣይ ግዜ ዝተዓወተሉ ምርጫ፡ ብዙሓት ሰባት ከምዘየድመጹን ፖሎቲካዊ ተሳትፎ ዘይነበሮ ምርጫ ከምዝነበረን ይግለጽ እዩ። ኣብቲ ምርጫ ኣብ ሰሜንን ምብራቕን እታ ሃገር ብዝነበረ ቅልውላው ካብ ቤቶም ዝተፈናቐሉ ህዝቢ እታ ሃገር ፈጺሞም ድምጾም ኣይሃቡን። ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ተመሳሳሊ ባህሪ ዘለዎ ዕልዋታት መንግስቲ ክካየድ ምጅማሩ ንቡዙሓት ኣሻቒሉ ይርከብ። እቲ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ምስቲ ኣብ ነሓሰ 2020 ኣብ ማሊ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ፍጹም ምምስሳል ዘለዎ'ዩ። ኣብ ክልቲአን ሃገራት ቅድሚ ዕልዋ መንግስቲ ምክያዱ፡ ዕጡቃት ኣብ ልዕሊ መንግስታዊ ትካላትን ሰለማውያን ሰባት መጥቃዕትታት ኣካይዶም፡ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ መንግስቱ እምነቱ ላሕሊሑ፡ ህዝባዊ ተቓውሞ ጀሚሩ ኣብ ማሊ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኢብራሂም ባቡከር ከይታ ኣብ ቡርኪናፋሶ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሮች ካቦረ ዕልዋ ተፈጺሙ። ሓደ ካብ ቀንዲ ተቓወምቲ መንግስቲ ቡርኪናፋሶ ዝኾነ ኤዲ ኮምበጆ ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ከም ረብሓ ብምውሳድ ህዝባዊ ተቐባልነቱ ከዕቢ ክጥቀመሉ ከምዝፈተነ እዩ ዝግለጽ። እቲ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ዝበዝሐ ካብ ህዝቢ ማሊ ይድግፎ'ዩ፡ ብዙሓት ተወለድቲ ቡርኪናፋሶ ግን ድሕሪ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ኣብታ ሃገር ዘይርጉኡነት ከይስዕብ ስግኣታት ኣለዎም። እቲ ኣንጻር ፈረንሳ ዘሎ ኣተሓሳስባኸ ተራ ነይርዎዶ ይኸውን? ማሊን ቡርኪናፋሶን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ፈረንሳ ዝነበራ ሃገራት ኮይነን ድሕሪ ናጽነተን'ውን ኣብ ቁጠባውን ጸጥታውን መሓውር ናይተን ሃገራት ጽልዋ ፈረንሳ ልዑል ኮይኑ'ዩ ቀጺሉ። ልክዕ ከም ማሊ፡ ሰራዊት ቡርኪናፋሶ'ውን ካብቲ ብፈረንሳ ናብቲ ዞባ ዝተዋፈረ 5100 ሰራዊት ፈረንሳ ብዙሕ ደገፋት እዩ ዝግበረሉ፡ ወረ ኣብኡ እዩ ዝምርኮስ። ፈረንሳ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ጅሃደዊ ምንቅስቓስ ንምቁጽጻር 'ስርሒት ባርከሃነ' ብምባል ኣብ 2013 እያ ናብ ርእሰ ከተማ ማሊ፡ ባማኮ ሰራዊታ ሰዲዳ። እንተኾነ ምምጻእ ሰራዊት ፈረንሳ ነቲ ብጀሃዳውያን ዝፍጸም መጥቃዕትታት ከጋድዶም'ምበር ከህድኦስ ኣይተራኣየ፡ ከም መርኣያኡ ነበርቲ ካያ ዝብሃል ከባቢ ናይ ቡርኪናፋሶ፡ ሰራዊት ፈረንሳ ምስ ጅሃዳውያን ኢድን ጓንትን ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ ብምባል፡ ንሰራዊት ቡርኪናፋሶ መሻርፍ ዘብጽሓ ንዝነበራ መካይን ኣብ ጽርግያ ዓጊቶመን። ብድሕሪ እዚ ሰራዊት ፈረንሳ ካብ ቡርኪናፋሶን ማሊን ብዓቢኡ ኸኣ ካብ ዞባ ሳሕለ ሳህራ ክወጽእ እዩ ተገዲዱ። ምውጻእ ሰራዊት ፈረንሳ ናብ ረብሐኦም ዝቐየርዎ ጅሃዳውያን ዕጡቓት ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ብሃገራት ቡርኪናፋሶ፡ ጫድ፡ ማሊ፡ ሞሮታንያን ኒጀርን ዝቖመ 'ጉጅለ-5' ዝተሰምየ ጥሙር ሓይሊ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ከካይዱ ጀሚሮም። ማሊ ንዘለዋ ናይ ጸጥታ ሃጓፋ ንምምላእ ናብ ሩስያ ገጻ'ኳ ተቛምት እንተላ፡ ቡርኪናፋሶ ትርከበን ሃገራት ሳሕለ ሳህራ ግን ንተግባራታ ብትሪ ተቓዊመነኦ ኣለዋ። ፈጸምቲ ናይቲ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝተኻየደ ዕለዋ መንግስቲ ካብ ናይ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዞባዊ ውድብ ዝኾነ ኢኮዋስ ዝመጽኦም ግበረ መልሲ ኣቓልቦ ከምዘይሃብዎ'ዩ ዘርኢ። እቲ ዞባዊ ውድብ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ማሊን ጊኒን ዕልዋ መንግስቲ ምስ ተኻየደ እገዳ'ኳ እንተኣወጀ ነቲ ውሳነ ናይቶም ዕልዋ ዝፈጸሙ ወተሃደራት ግን ዝቕይር ኣይነበረን። ፕረዚደንት ናይታ መዳውብቲ ማሊን ቡርኪናፋሶን ዝኾነት ነጀር መሓመድ ባዙም ኣብ 2021 ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ ፈተነ ዕልዋ ተኻይድሉ ነይሩ እዩ። ኣብ ማሊን ቡርኪናፋሶን ዘሎ ዘይምርግጋእ ኣብታ ብደቡብ ምስ ክልቲኤን ሃገራት ትዳውብ ኣይቮሪኮስትን'ውን ጽልውኡ ይሽልብባ ኣሎ፡ ኣብታ ሃገር ካብ 2020 ጀሚሩ ንወተሃደራት እታ ሃገር ዕላማ ዝገበረ ጅሃዳዊ መጥቃዕትታት ይካየድ ኣሎ።","category":"ኒጀር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60126556"} {"headline":"መራሒ ጉጅለ ኣልቃዒዳ ዞባ ሳሕለ-ሳህራ ኣፍሪቃ ተቐቲሉ","content":"መራሒ ናይቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ኣልቃዒዳ ዓብደልማሊክ ድሮክል፡ ኣብ ማሊ ብዝተኻየደ ወተሃደራዊ ስርሒት ከምዝተቐትለ፡ መንግሲቲ ፈረንሳ ሓቢሩ። ሚኒስትሪ ምክልኻል ፈረንሳ ፍሎረንሰ ፓርሊ ከምዝሓበረቶ፡ ዓብደልማሊክ ምስ ካልኦት ብጾቱ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ከምዝተቐትለ ሓቢራ። ሓይልታት ፈረንሳ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ስርሒት ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ እስላማዊ መንግስቲ (ዳዕሽ) ከምዝሓዙ'ውን፡ እታ ሚኒስተር ጠቒሳ። እዚ ዝተወስደ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ነቶም ኣብቲ ዞባ ዝንቀሳቐሱ ጅሃዳውያን ጉጅለታት 'ዓቢ ጽፊዒት' ከምዝኾነ፡ እታ ሚኒስተር ወሲኻ ሓቢራ። እታ ሚኒስተር፡ እቶም ኣብ ሃገራት ዞባ ሳሕለ-ሳህራ ኣፍሪቃ፡ ሽበራውያን መጥቃዕትታት ዘካይዱ፡ \"ብዘይምሕላል\" ከምዝህደኑ'ውን ኣመልኪታ። ዓብደልማሊክ ድሮክል ዓብደልማሊክ፡ ሓላፊ እስላማዊ ጉጅለ ማግረብ ከምኡ'ውን ኮማንደር ኣልቃዒዳ ኣብ ዞባ ሳሕለ-ሳህራ ከምዝነበረ ይግለጽ። ወዲ 40 ዓመት ዓብደልማሊክ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣንጻር ሶቨየት ተዋጊኡ ነይሩ'ዩ። ኣብ 2012፡ ንሱ ኣብ ዘይተረኽቦ፡ ኣብ ቤት-ፍርዲ ኣልጀርያ ንሞት ተፈሪዱ ነይሩ። ንሱ፡ ኣብ 2007 ኣብ ርእሰ ከተማ ኣልጀርያ ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ቦምባ፡ 22 ሰባት ከምዝቐተለን ካልኦት 200 ከምዘቑሰለን ይፍለጥ። ፈረንሳ ኣብ ዞባ ሳሕል እንታይ ትገብር ኣላ? ዞባ ሳሕለ-ሳህራ ኣፍሪቃ፡ ብመጥቃዕትታት ጅሃዳውያን ሓይልታት ግዳይ ካብ ዝኸውን ዓመታት ኣቑጺሩ'ሎ። ብሰንቲ እቲ ኣብቲ ዞባ ዝካየድ መጥቃዕቲ፡ ሃገራት ማሊ፣ ቡርኪናፋሶ፣ ጫድ፡ ኒጀርን፡ ማውሪታንያን ከምኡ'ውን ቡርኪናፋሶ ነዚ መጥቃዕትታት ንምብዳህ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ መስሪተን። ፈረንሳ'ውን ኣብ 2013 ምስተን ሃገራት ተጸንቢራ። ፈረንሳ፡ ወተሃደራዊ ደገፍ ንምሃብ ኣብቲ ዞባ ከምዝኣተወትን፡ ወተሃደራት ማሊ ድማ፡ ብሓገዝ ፈረንሳ ገለ ከባብታት ማሊ ካብ ኢድ ጃሃዳውያን ከምዝመለሱ ይፍለጥ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ጸጥታዊ ዘይምርግጋእ መሊሱ ከምዝበኣሰን፡ እቲ ጎንጺ ናብ ካልኦት ሃገራት ከምዝሰፈሓን ጸብጻባት ይሕብሩ። ፈረንሳ፡ ልዕሊ 5000 ወተሃደራት ኣብቲ ዞባ ብምውፋር፡ ንሃገራት ማሊ፣ ቡርኪናፋሶ፣ ጫድ፣ ማሊን ኒጀርን ትሕግዝ።","category":"ኒጀር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52946678"} {"headline":"ኒጀር፡ ኣብ መዓልቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሸውዓተ ኣባላት ኮምሽን ምርጫ ብነታጒ ተቐቲሎም","content":"ኣብ መዓልቲ ምርጫ ኒጀር፡ ሸውዓተ ኣባላት ኮምሽን ምርጫ፡ ብዝተቐበረ ነታጒ ምዝተቐተሉ ተገሊጹ። እቶም ኣባላት ኮምሽን ምርጫ ተሳፊሮማ ዝነበሩ መኪና ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኒጀር ዞባ ቲላበሪ ዝተቀበረ ነታጒ ረጊጻ ከምዝተፈንጀረትን ሸውዓቲኦም እቶም ኣባለት ኮምሽን ምርጫ ምስታ መኪና ከምዝተቃጸሉን ተገሊጹ። እቲ ነታጒ ነታ መኪና ክሃርም ኮነ ኢሉ ዝተጻወደ ድዩ ዋላስ ናይ ኣጋጣሚ ነገር እዩ ግን ዝተፈለጠ ነገር የለን። ህዝቢ ኒጀር ብሰንበት ካልኣይ ዙር ፕረዚደንታዊ ምርጫ እዩ ከድምጽ ውዒሉ። እዚ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር፡ ኒጀር ካብ ፈረንሳ ኣብ 1960 ሓራ ምስ ወጸአት ናይ መጀመርታ ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ስልጣን እዩ ተባሂሉ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። እቲ ሞት ናይዞም ሸውዓተ ኣባላት ኮምሽን ምርጫ ኣብ ታሪኻዊ መዓልቲ እታ ሃገር ምግጣሙ ኸኣ ጸሊም ነጥቢ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ። በቲ ሓደጋ ካልኦት ሰለስተ ሰራሕተኛታት እቲ ኮምሽን ምርጫ'ውን ተሃሪሞም ኣለዉ። ሃሮና ሞንካይላ ሓደ ካብ ኣባላት ኮምሽን ምርጫ ኮይኑ፡ ንሱ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መግልጽ \"እቶም ኣብታ መኮና ዝነበሩ ሰበ-ስልጣን ኣብ መድመጺ ንቁጣ ዝዕዘቡ ሰባት ከምኡ'ውን ድምጺ መውሃቢ ወረቃቕትን'ዮም ሒዞም ነይሮም\" ኢሉ። ኣብ ቀዳማይ ዙር ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኒጀር፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ዝነበረ መሓመድ ባዙም 40 ሚኢታዊት ከምዝረኸበ ይዝከር። መሓመድ ባዙም ሕጂ'ውን እንተኾነ ነቲ ውድድር ክዕወተሉ ከምዝኽእል እዩ ትጽቢት ተገይሩ ዘሎ። ቀንዲ መወዳድርቲ መሓመድ ባዙም፡ ፕረዚደንት ኒጀር ነበር ማሓማድ ዖስማን ኮይኑ ኣብ ቀዳማይ ዙር ፕረዚደንታዊ ምርጫ 17 ሚእታዊት ረኺቡ ነይሩ። ንክልተ ነናይ ሓሙሽተ ዓመት እብረ ተዓዊቱ ፕረዚደንት ብምዃን ንኒጀር ክመርሕ ዝጸንሐ ማሓማዱ ኢሳፉ ዘመነ ስልጣኑ ስለዘብቐዐ ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገር ኣብዚ ዝኻየድ ዘሎ ፕረዚደንታዊ መንርጫ ኣይሳተፍን እዩ ዘሎ። ኒጀር፡ ኣብ ዓለም ሓንቲ ካብተን ድኻታት ሃገራት ኮይና፡ ብሰንኪ እቶም ኣብ ሳሕል ሳህራ ዝንቀሳቀሱ እስላማውያን ዕጡቓት ናይ ጸጥታ ቅልውላው ዘለዋ ሃገር እያ።","category":"ኒጀር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56151093"} {"headline":"ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ግብረሽበራ ንምቅላስ ሓድሽ ውጥን የውጽኣ","content":"ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ኣብቲ ዞባ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘለ ጸገም ጸጥታ ንምዝታይ ኣብ ቡርኲናፋሶ ተኣኪቦም። ኣቐዲሙ ብ5 ሃገራት ዝቖመ ወታሃደራዊ ልፍንቲ፡ ነቲ ኣብ ማሊ፣ ቡርኲናፋሶን ኒጀርን ብቐጻሊ ዝፍጸም መጥቃዕትታት ከህድኦ ኣይከኣለን። እቲ ብጉጅለ 5 ሳሕል ዝፍለጥ ሓይሊ፡ ብ3000 ሓይሊ ሰራዊት ፈረንሳ ዝድገፍ'ዩ። ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ ነቲ ዝጸንሐ ውጥናት ጸረ-ግብረ ሽበራ ብምኽላስ፡ ካልእ ህጹጽ ወጥን ከዳልዉ ትጽቢት ይግበረሎም። መራሕቲ ናይተን ሃገራት፡ ኣብዚ ዝመጽእ ቀዳመ-ሰንበት ናብ ርእሰከተማ ኡጋዱጉ ብምኻድ ነቲ ስምምዕ ክፍርምሉ ምዃኖም ተፈሊጡ'ሎ። ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ መሓመድ ኢብን ቻምባስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እተን ሃገራት \"ብሓባር ነቲ ብድሆ ክገጥማ ኣለወን\" ኢሉ። \"ኣብቲ ዝግበር ዝተወሃሃደ ጻዕሪ፡ ንሃገራት ገማግም ባሕሪ'ውን ምስ ሃገራት ሳሕልን ቀላይ ቻድን [ዘሳትፍ'ዩ]\" ኢሉ። ዞባ ሳሕል፡ ካብ ጂሃዳውያን ዕጡቓት ዝምንጩ ናይ ጸጥታ ስግኣት እናዓበየ ክኸደሉ ዝጸንሐ ከባቢ'ዩ። ምስ ኣልቃዒዳን ጉጅለ ዳዕሽን ርክብ ዘለዎም እስላማውያን ጉጅለታት ቀጻሊ መጥቃዕቲ ከካይዱ ጸኒሐም ኣለዉ። ብሰንኪ'ዚ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ምቐታሎምን፡ ሰፊሕ ምፍንቓል ህዝቢን ከም ዝሰዓበ ይፍለጥ።","category":"ኒጀር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49691557"} {"headline":"ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠሙ ሃይማኖታዊ ጎንጺታት ብዘይሻራዊ ኣካል ክምርመሩ ሓቲቱ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ንዘጋጠሙ ሃይማኖታዊ ጎንጺታት፡ መንግስቲ ዘይሻራዊ፡ ግልጽን ዓሚቝን መርመራ ክገብረሎም ሕቡራት ሃገራት ሓቲቱ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጐ እስላምን ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ክርስትናን ብዘተወለዐ ጎንጺ ብውሑድ 30 ሰባት ምሟቶምን ኣብ ልዕሊ 100 ሰባት ኣካላዊ መጕዳእቲ ምብጽሑን ከም ዘሕዘና ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባችለት፡ ትማሊ ኣብ ዘውጸአቶ መግለጺ ሓቢራ። ብ18 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም [ግእዝ] ኣብ ጐንደር፡ ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ ብዝተላዕለ ጎንጺ፡ ልዕሊ 20 ሰባት ከም ዝሞቱን ልዕሊ 150 ከም ዝቘሰሉን ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክልል ኣምሓራ ምግላጹ ዝዝከር እዩ። እታ ኮምሽነር፡ እቲ ኣብ ጐንደር ዝተወለዐ ጎንጺ ኣብ ካልኦት ክልላት ናብ ዝርከባ ከተማታትን ናብ ኣዲስ ኣበባን'ውን ዝተጋፍሐ ይመስል ኢላ። ኣብ ጐንደር ክልተ መሳጊድ ከም ዝተቓጸላን ካልኦት ክልተ ብኽፋል ከም ዝዓነዋን ሚሸል ባችለት ገሊጻ። ድሕሪ እዚ ጎንጺ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ፡ ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ስልጤ፡ ክልተ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዝዀኑ ሰባት ብሓዊ ተቓጺሎም። ካልእ ሓደ ድማ ተቐጥቂጡ ከም ዝተቐተለን ሓሙሽተ ኣብያተ ክርስትያን ብሓዊ ከም ዝነደዳን እታ ኮምሽነር ኣብ መግለጺኣ ሓቢራ። ኣብ ደባርቕ፡ ዓፋርን ድሬዳዋን እውን ተመሳሰልቲ ጸገማት ምንባሮም ጠቒሳ። 20 ሚያዝያ 2014 ዓ\/ም ኣብ ከተማ ደባርቕ ክልተ መሳጊድ ከም ዝነደዳ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ እስልምና ክልል ኣምሓራ ምግላጹ ዝዝከር እዩ። ሚሸል ባችለት፡ ምኽንያት ምጥፋእ ህይወት ሰባትን ምዕናው ኣብያተ እምነትን ተሓተትቲ ዝኾኑ ውልቀ ሰባት ናብ ፍርዲ ምቕራብ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ከይፍጸም ዝሕግዝ ስጕምቲ ከም ዝኾነ ተዛሪባ። ምስቲ ናዕቢ ብዝተኣሳሰር ኣብ ኣርባዕተ ከተማታት ብውሑድ 578 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ዝገልጽ ሓበሬታ ምርካቡ ዝጠቅስ መግለጺ እታ ኮምሽነር፡ መስርሕ ፍርዲ እቶም ዝተኣሰሩ ውልቀ ሰባት ብዘይ ኣድልዎን ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕግታት ሰብኣዊ መሰላትን ክርአ ሓቲቱ። ብተወሳኺ፡ ተመሳሳሊ ሃይማኖታዊ ጎንጺ ከየጋጥም ንምክልኻል፡ መንግስቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸሞም ማሕበረሰባትን ካብቲ መጥቃዕቲ ዘተረፉ ሰባትን ብዘሳትፍ መልክዕ ፍታሕ ክህብ ከም ዝግባእ ኣመልኪታ። ካብቲ ኣብ ጐንደርን ካልኦት ከባቢታትን ዝተወለዐ ጎንጺ ብተወሳኺ፡ 24 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ እዋን ሰላት [ስግደት] ዒድ ናዕቢ ተላዒሉ ዝነበረ ኮይኑ፡ ምስኡ ብዝተሓሓዝ 76 ውልቀ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ተሓቢሩ ነይሩ። ብሰንኪ እቲ ናዕቢ ኣብ ልዕሊ ኣካላት ጸጥታን ትካላት ህዝብን ጉድኣት ምብጽሑ'ውን ተገሊጹ እዩ።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61370162"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ኲናት፣ ድርቅን ናዕብን ዘሰነዮ በዓል ረመዳን እዚ ዓመት","content":"ኣቶ መሓመድ ኣደን፡ ኣብ ክልል ሶማሌ ከተማ ጎዴን እዩ ዝነብር። ወዲ 65 ዓመት መሓመድ ዝነብረላ ከተማ ንተፋሰስ ፈለግ ሸበሌ ቀረባ እንተኾነት'ውን ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ደርቂ ግን ድሮ ዘብጽሖ ጉድኣት ይፈልጦ እዩ። \"መብዛሕትኡ ግዜ ረመዳን ብዝናብ'ዩ ዝጅምር ነይሩ፤ ኣብዚ ዓመት ግን ደርቂ መጺኡ። ጥሪት ሃሊቐን፤ ኣልሓምዱሊላህ ኣብ መወዳእታ ዝናብ ሃሪሙ። ክንዲ'ቲ እንጽበዮ እኳ እንተዘይኮነ ኣልሓምዱሊላሂ ማይ ረኺብና ኢና\" ይብል። ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ምእመናን እስልምና ን30 መዓልታት ኣብ ዝጸንሕ ጾመ ሮመዳን ብጾምን ጸሎትን እዮም ዘሕልፉዎ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝነበሩ ናይ ረመዳን ኣዋርሕ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ እዋን እቲ ጾም ዘይተለመዱ ኩነታት ከም ዝተርኣዩ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የረድኡ። ብፍላይ ኣብ 2020፡ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምቁጽጻር ብብዝሒ መሳጊድ ብምዕጻዎም ህዝበ ሙስሊም ኣብ እዋን ረመዳን ወሰንቲ ዝበሃሉ ናይ ሃይማኖታት ስርዓታት ተኣኪቡ ከሕልፍ ኣይክኣለን ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ሰሙን ጾመ ረመዳን ናይ'ዚ ዓመት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓደሽቲ ክስተታት ተራእዩ'ዩ። ኣብ ጎንደርን ከባቢኡን ስነ ስርዓት ቀብሪ ፍሉጥ ናይ ባህሊ ሓኪም ዝነበረ ሸኽ ከማል ለጋስ ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን ብ18 ሚያዚያ 2014 ዓ.ም ኣብቲ ንልዕሊ 400 ዓመታት ኣገልግሎት ዝህብ ዝነበረ መካነ መቃብር ሸኽ ኤልያስ ብዝተፈጥረ ዕግርግር ህይወት ብዙሓት ሰባት ሓሊፉ'ዩ። ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና እቲ ክልል: ኣብ ልዕሊ እቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ'ዩ ተፈጺሙ እዩ ዝብል። ኣብ ከተማ ጎንደር መሳጊድ፣ ትካላት ንግድን መንበሪ ኣባይቲ ኣስላምን ክዓንው እንከለው፡ እቲ ቅልውላው ናብ ከተማ ደባርቅ'ውን ልሒሙ ምኽንያት ሞትን ምቅጻል መሳጊድን ኮይኑ'ዩ። ቤት ጽሕፈት ሃገረ ስብከት ሃዲያን ስልጤን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ'ውን፡ ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ስልጤ ከተማ ወራቤ ክልተ ኣብያተ ክርስቲያንን ሓደ ገዳምን ከም ዝተቓጸሉ ብምሕባር ነቲ ኣብ ከተማ ጎንደር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እናኾነኑ ነበርቲ እታ ከተማ ዝፈጸሙዎ'ዩ ክብል ከሲሱ። እዚ ንኣስታት ሓደ ሰሙን ዝቐጸለ ናዕቢ፡ ብምኽንያት በዓል ዒድ ኣልፈጥር ብሓባር ንምስጋድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝተኣከቡ ነበርቲ'ውን ኣርኪቡ ብዙሓት ቅድሚ እቲ ሶላት ተበቲኖም'ዮም። ከምኡ'ውን ቤት ምኽሪ ዑለማ ህዝበ ሙስሊም ከተማ ጎንደር፡ እቲ ኣማኒ ኣብ ገዝኡ ኮይኑ እቲ በዓል ከሕልፎ ብመሰረት ዝገበሮ ጻውዒት ከምቲ ልሙድ ሶላት ዒድ ኣብ ኣደባባይ ከይተኻየደ ተሪፉ። ኣብ ጎንደር ተወሊዱ ዝዓበየ ኡስታዝ በድሩ ሒሴን፡ ነዚ ኩነታት ብቐረባ ክከታተሎ ከም ዝጸንሐ ይገልጽ። ኣብታ ከተማ ዝተፈጥረ ክስተት ንሓደ ሕብረተሰብ ብሃይማኖቱ ፈልዩ ዘጥቅዐ \"ግብረ ሽበራ'ዩ\" ይብል። \"እምነቱ ብዘየገድስ ኩሉ ክኹንኖ ይግባእ። በዚ ምኽንያት፡ ሰባት ስምዒታዊ ገይሩ ምስቲ ጉዳይ ርክብ ዘይብሎም ክርስቲያንን ኣብያተ ክርስቲያንን መጥቃዕቲ ንከይበጽሖም መልእኽተይ የሕልፍ\" ኢሉ። ኡስታዝ በድሩ፡ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ከባቢ ነቲ ጸገም ክፈትሑዎ'ዮም ዝብል እምነት ከም ዘይብሉ ይዛረብ። መንግስቲ ፌደራልን መንግስቲ ክልል ኣምሓራን ድሕሪ እቲ ጎንጺ ስጉምታት ይውሰዱ ከም ዘለው ብምግላጽ ምስቲ ዝተፈጥረ ጸገም ብዝተሓሓዝ ልዕሊ 300 ጥርጡራት ብሓይልታት ጸጥታ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተው ምግላጾም ይዝከር። ኣብ ትግራይ ነባሪ ከተማ መቐለ ዝኾነ ሓሰን መምህር ዩኒቨርሲቲ መቐለ እዩ። ኣብቲ ክልል ኲናት ካብ ዝውላዕ ንድሓር ንካልኣይ ግዜ፡ ኣብ ውሽጢ ኲናት ኮይኑ ጾመ ረመዳን ጾይሙ። ድሕሪ ምጅማር እቲ ኲናት ሓሙሽተ ኣባላት ቤተሰቡ ብሞት ስኢኑዎም'ዩ። እቶም ዝተረፉ ድማ ተሰዲዶም፤ ብዛዕባ ካልኦት ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘለው ግን ድሃይ ከም ዘይብሉ ይዛረብ። \"እቲ ጾም ለሚድናዮ ቀኒና ኢና፤ ምኽንያቱ ጥምየት ኣሎ። ሰብ'ውን ብጣዕሚ ተሸጊሩ'ዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ምስ ሕሉፍ ጾማት ረመዳን ክነጻጸር እንከሎ እቲ ናይ ሕጂ ልክዕ ኣይመስልን\" ይብል። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሰራዊት ምክልኻል ፌደራል ነታ ከተማ ክቆጻጸራ እንከሎ፡ ጾመ ረመዳን ዝኣተወ ኮይኑ ኣብቲ ግዜ ሰዓት እቶ እቶ ተኣዊጁ ስለ ዝነበረ ድሕሪ ኢፍጣር ናብ መስጊድ ከይድካ ጸሎት ምግባር ኮነ ምትእኽኻብ ዝክኣል ከም ዘይነበረ ይዝክር። \"ሰላት ተርሃዊን፡ ኣብ እዋን ረመዳን ዓበይቲ ካብ ዝብሃሉ ፍጻመታት ሓደ እዩ። ምሸት ምውጻእ ስለ ዘይክኣል ግን ሽዑ ተርሃዊን ክንሰግድ ኣይክኣልናን። ዝተጸገሙ ሰባት ንምሕጋዝ ድማ እታ ናይ መቕሪብ ሰዓት ኢና ንጥቀም፤ ንሱ'ውን ግን ዘይክኣል ኮይኑ። \"ኣከባብራ እቲ በዓል ሓዊሱ ብዙሕ ጽቡቕ ስሚት ኣይነበሮን። ናብ ገጠር'ውን ምኻድ ኣይክኣልን ነይሩ\" ብምባል ብ2013 ዝነበረ ጾመ ረመዳን ይዝክሮ። ድሕሪ ሓደ ዓመት'ውን እቲ ኩነታት ስለ ዝገደደ እቲ ጾም ንበይኑ ከም ዘሕለፎ ይዛረብ። ብሰንኪ ኣብቲ ክልል ዘሎ ሕጽረት ነዳዲ ካብ መቐለ ወጺኡ ናብ ካልእ ከባቢ ክኸይድ ኣይክኣለን። \"ካብ ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢሎም ዝመጽኡ ሰባት ኣለው። እዚኦም ቅድሚ ሕዚ ስራሕን ገንዘብን ዝነበሮም ሰባት'ዮም። ክልተ ባኒ ዘለዎ ናብ መስጊድ ከይዱ እታ ሓንቲ ንመፍጠሪ ናብ መስጊድ ከይዱ ነቶም ዘይብሎም ክህብ ጸኒሑ'ዩ\" ኢሉ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ሕጽረት መግቢ ንምቁጽጻርን ኣብ ዝቕጽሉ 15 መዓልታት እኹል ዝርግሐ መግቢ ንክህሉን መዓልታዊ 4,675 ሜትሪክ ቶን ክኣቱ ከም ዘለዎ ቤት ጽሕፈት መተሓባበሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት [ኦቻ] ይገልጽ። እንተኾነ፡ ኣብተን ዝሓለፋ ኣዋርሕ እዚ ዓመት [2022] ናብቲ ክልል ዝኣተወ ሓገዝ 3,400 ሜትሪክ ቶን ጥራይ ኮይኑ እዚ ድማ ኣብ መዓልቲ ክኣቱ ካብ ዝግብኦ ዝወሓደ እዩ። ከም ሓበሬታ ኦቻ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ 5.2 ሚሊዮን ህዝቢ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ዘድልዮ ኮይኑ፡ ክሳብ ሕጂ 1.5 ሚሊዮን ሰባት ጥራይ'ዩ ምሕጋዝ ተኻኢሉ። ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ 40 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ደርቂ: ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ሸሞንተ ሚሊዮን ሰባት ንሓደጋ ደርቂ ክቃልዑ ገይሩ ኣሎ። ኣብ ጎረቤት ሃገር ሶማሊያ፡ ኣስታት ሽዱሽተ ሚሊዮን ሰባት በዚ ደርቂ ክጥቅዑ እንከለው፡ እዚ ቑጽሪ ክውስኽ ከም ዝኽእል ሓበሬታ ኦቻ የመልክት። ብሓፈሻ ልዕሊ 25 ሚሊዮን ህዝቢ እቲ ዞባ ብምኽንያት እዚ ደርቂ ንሓደጋ ጥምየት ተቓሊዑ ኣሎ። ኣብ ክልል ሶማሊ'ውን እቲ ደርቂ ሕጽረት ዝናብን ከቢድ ዋዕን ዘስዓበ ኮይኑ፡ ብቐንዱ ሕጽረት ቀለብ እንስሳን ማይን ከም ዘስዓበ ነባሪ ጎዴ ዝኾነ ኣቶ መሓመድ ኣደን ይዛረብ። ብትምህርትን ስራሕን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ምብራቕ ኢትዮጵያ ተዘዋዊሩ ክነብር ዝጸንሐ መሓመድ ከምዚ ዓይነት ፈታኒ ግዜ ርእየ ኣይፈልጥን እዩ ዝብል። ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣቶ ሙስጠፌ መሓመድ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዚያ ጥራሕ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ጥሪት ብሰንኪ ደርቂ ከም ዝሞታ ንመንግስታዊ ማዕከን ዜና ተዛሪቡ ነይሩ። መምህር ሃይማኖት እስልምና ኡስታዝ በድሩ፡ ልዕሊ ኹሉ ናይ ጽልኢ ዘረባታትን ስብከታትን ጠጠው እንተዘይኢሎም እቲ ዝመጽእ ግዜ ከም ዘስግኦ ይገልጽ። ብርክት ዝበሉ ሰባት ነቶም ብዝተፈላለዩ ኣካላት ዝወሃቡ ናይ ጽልኣት ዘረባታት ይቕበሎም ምህላው ዚያዳ ከም ዘስግኦ ብምግላጽ: ኣብ ፖለቲካን ሃይማኖትን እታ ሃገር ሚዛናዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ተሰማዕነት ዝረኽብሉ ኩነታት ክመጽእ ከም ዝምነ ተዛሪቡ። \"ኣነ ተወላዲ እቲ ክልል እየ፤ ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ሞጣ ጀሚሩ ብዙሓት መሳጊድ ተቓጺሎም'ዮም። እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ናብ ፍርዲ ዝቐረበ ሰብ የለን። ዘጥፍኡ ሰባት ፍርዲ ክረኽቡ ኣለዎም እምበር ሰላማውያን ሰባት ምውንጃል ኣይጠቅምን\" ኢሉ። ነባሪ ከተማ መቐለ ሓሰን ብወገኑ ሰባት ብሰንኪ ጥምየት ይሞቱ እዮም ዘለው ብምባል ዝሕቱል ስራሕቲ ዲፕሎማስን ሰላም ናይ ምምጻእ ስራሕትን ብምህላው ብዙሓት ሰባት ከይሞቱ ከም ዝሰግእ ገሊጹ። \"ዝመጽእ ረመዳን እቲ ዕጽዋ ተሰይሩ ከይሃለቕና እንጸንሐሉ፣ ኣብ ናጻ ትግራይ እነኽብሮ ክኸውን'ዩ ኢለ ተስፋ ይገብር። ከምኢ ኢልና ክንቅጽል ኣይንኽእልን\" ኢሉ። እዞም ወሃብቲ ርኢይቶ፡ መራሕቲ: ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቐጸለ ኲናት ጠጠው ከብሉዎ ይምሕጸኑ። ፖለቲከኛታት ኣፈላላዮም ብዝርርብ ክፈትሑዎ ኣለዎም ዝብል ኡስታዝ በድሩ፡ \"እቲ ዝሞተ ወዲ ህዝቢ'ዩ፤ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ሰላም ክህሉ እንከሎ ካልእ ይርከብ'ዩ። ናይ እማን ንህዝብን ሃገርን ዘቐድም ዝርርብ ገይሮም ነቲ ዝተጎድአ ህዝቢ ሰላም ከምጽእሉ ይግባእ\" ኢሉ።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61290777"} {"headline":"ኣብ ቡርኩናፋሶ ኣብ ሓንቲ ቁሸት፡ ልዕሊ 30 ሰባት ብዕጡቓት ተቐቲሎም","content":"ጥርጡራት ጂሃዳውያን ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ቡርኪናፋሶ፡ ልዕሊ 30 ሰባት ከምዝቐተሉ ሓለፍቲ ጸጥታ እታ ሃገር ኣፍሊጦም። ትማሊ ሰኑይ፡ ኮማንዣሪ ኣብ ዝተብሃለት ዞባ'ታ ሃገር ፡ ኮዲል ኣብ እትበሃል ቁሸት ብርክት ዝበሉ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ሓደ ካብ ኣማሓዳርቲ እቲ ከባቢ ተዛሪቡ። እቲ ተገሚቱ ዘሎ ብዝሒ ሞት ልክዕ ኾይኑ እንተተረኺቡ፡ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ኣብቲ ከባቢ ንፈለማ እዋን እዩ ዝኸውን ዘሎ። እታ ሃገር ብፍላይ ምስ ኒጀርን ማልን ኣብ ዘዋስንዋ ከባብታት፡ ብሕሉፋት እስላማዋያን ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ክፍጸማ ጸኒሑ እዩ። እቲ ጨፍጫፍ፡ ክልተ ስፔናውያን ጋዜጠኛታትን ሓደ ኣየርላንዳዊ ዜጋን ኣብቲ ከባቢ ምስተቐትሉ ድሕሪ ሓደ ሰሙን እዩ ዝፍጸም ዘሎ። ኣብቲ ትማሊ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ልዕሊ 20 ሰባት'ውን ከምዝቖሰሉ ይግለጽ። ሓደ ኣብቲ ከባቢ ንዓርሰ-ምክልኻል ካብ ዝሰርሑ፡ \"እቲ መጥቃዕቲ ሰባት ካብ ገዘኦም ከይወጽኡ ንጎሆ እዩ ተፈጺሙ\" ክብል ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ። \"ደርዘን ዝኾኑ ሰባት ናብታ ቁሸት ኣትዮም ነቲ ገዛውቲ ሓዊ ሮኵዖምሉ። ገሊኦም ድማ ደው ኢሎም ይሪኡ ነይሮም፤ ካልኦት ድማ ዘዝረኸብዎ ብኣልማማ ይቐትሉ ነይሮም\" ኢሉ። ካልእ ኣባል ሚሊሻ እቲ ከባቢ ድማ፡ ብሓፈሻ 30 ዝኣኽሉ ሰባት ከምዝተቐትሉ ገሊጹ፡ እንተኾነ፡ ነበርቲ ካብ ገዛቶም ወጺኦም ሃዲሞም ስለዘለዉ፡ እቲ ቁጽሪ ክውስኽ ከምዝኽእል ወሲኹ ተዛሪቡ። እቶም ዕጡቓት ብተጋገሚ ነታ ቁሸት ዒላማ ዝገበሩ ኮይኖም ብፍላይ ድማ፡ ንኣባላት ማሕበረሰብ ጉርማ ዝባሀሉ ፈልዮም እዮም ዘጥቅዑ ተባሂሉ። ምኽንያቱ ድማ ብዙሓት ኣባላት ናይዚ ዓሌት ኣባላት ሚሊሻ ኮይኖም ተመልሚሎም ስለዘለዉ እዩ። ብሰንኪ ኣብቲ ዞባ ዘለዉ ኣኽረርቲ እስላማውያን ዕጡቓት፡ እዛ ምዕራባዊት ሃገር፡ ከምተን ካልኦት ጎራብታ ሃገራት፡ ዓሚቕ ናይ ጸጥታ ጸገማት የጓንፋ ኣሎ። ዕጡቓት ኣብቲ ከባቢ ወራርን ጭውያን ከካይዱ እዩ ምርኣይ ልሙድ እዩ። እቶም እስላማውያን ዕጡቓት ኣብ 2012ን 2013ን ዝዓበየ ሰሜናዊ ክፋል ማሊ ምስተቖጻጸሩ፡ ኣብዚ ሓውሲ-በረኻ ዝኸነ ዞባ ሳህል፡ ከቢድ ናይ ጸጥታ ጸገማት ኣስዒቦም ጸኒሖም እዮም። ፈረንሳይን ካልኦት ፈተውቲ ሃገራት ን ናብቲ ከባቢ ወተሃደራት እንተዋፈሩ'ኳ፡ ነቲ ጸገም ጸጥታ ክፈትሕዎ ኣይከኣሉን። እቲ ጎንጺ ዛጊድ ኣስታት 3 ህዝቢ ክመዛበል ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56927306"} {"headline":"ፓኪስታን፡ ቁርዓን ኣቃጺሉ ዝተብሃለ መንእሰይ ብናዕበኛታት ተቐቲሉ","content":"ብቀዳም ኣብ ፓኪስታን ሓደ ቁርዓን ኣቓጺሉ ዝተባህለ መንእሰይ፡ በቲ ተግባር ዝተቖጥዑ ናዕበኛታት ቀቲለሞ። ምስቲ ቅትለት እቲ መንእሰይ ብዝተሓሓዝ 80 ሰባት ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ፖሊስ ዞባ ፑንጃበን ፓኪስታን ሓቢሮም። እቶም ናዕበኛታት ነቲ መንእሰይ ካብ ኢድ ፖሊስ መንዚዖም ከም ዝቐተልዎ ጸብጻባት ይሕብሩ። ሬሳ ናይቲ መንእሰይ ትማሊ ሰንበት ንስድርኡ ተረኪቡ፡ ስነ ስርዓት ቀብሩ ተፈጺሙ። ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ኢምራን ክሃን እቲ ቅትለት 'ምስ ምግሃስ ተሪር ሕጊ ከም ዝዳረግ' ብምግላጽ፡ እቶም ናዕበኛታት ካብ ኢድ ፖሊስ ዝወሰድሉን ፖሊስ ንምንታይ ካብ ሞት ከድሕኖ ከም ዘይክኣለን ጽፉፍ ጸብጻብ ክመጽኦ ኣዚዙ ኣሎ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር መንግስቲ ንኸምዚ ዓይነት [ቅትለት እቲ መንእሰያ] ዜሮ ተጻዋርነት ከም ዘለዎ ገሊጹ። ሓላፊ ፖሊስ ሙናዋር ሑሰይን፡ እቲ ኣብ 40ታት ዕድመ ዝግመት መንእሰይ፡ ህይወቱ ሓሊፉ ኣብ ገረብ ተኣሲሩ ከም ዝጸንሖም ሓቢሩ። ሙናዋር ሑሰይን፡ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ \"እቶም በትሪ፡ ፋስን ሓጺንን ዝሓዙ ናዕበኛታ ነቲ መንእሰይ ቀቲሎም ኣብ ገረብ ኣንጠልጢለሞ\" ኢሉ። ሓላፊ ፖሊስ ቱላምባ [እቲ መንእሰይ ዝተቐተለሉ ከባቢ] ሙናዋር ጊጃር ብወገኑ ንኤፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቲ ዝተቐተለ መንእሰይ \"ንዘሓለፈ 15 ዓመታት ኩነታት ኣእምርኡ ጥዑይ ኣይነበረን\" ኢሉ። ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ'ውን ሓደ ሓላፊ ናይ ሓደ ዓቢ ስሪላንካዊ ትካል ኣብ ከተማ ስያልኮት ዞባ ፑንጃብ ንእምነት እስልምና ኣነኣኢስካ ተባሂሉ ብናዕበኛታት ተቀቲሉ ሬስኡ ብሓዊ ከም ዝተቓጸለ ዝዝከር'ዩ።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60372311"} {"headline":"ብዕልዋ ተኣልዩ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ማሊ ኢብራሂም ኣቡበከር ከይታ ሞይቱ","content":"ብዕልዋ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ማሊ ኢብራሂም ኣቡባከር ከይታ ኣብ 76 ዓመቱ ሞይቱ እቲ ፕረዚደንት ማሊ ነበር ቅድሚ ክልተ ዓመት ብሕማም ወቕዒ ተጠቒዑ ነይሩ፡ ብሰንበት ዝሞተሉ ምኽንያት ግን ኣይተፈልጠን። ሓደ ኣባል ስድርኡ ንኤኤፍፒ ከምዝገለጾ፡ ኣብ ርእሰከተማ ባማኮ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ እዩ ሞይቱ። ሚስተር ከይታ ንሃገረ ማሊ ንሸውዓተ ዓመታት’ዩ መሪሕዋ። ኣብ 2020 ግና፡ ንጉዳይ ጂሃዲስትስ ዝሓዘሉ መገዲ ዝነቕፉ ሰልፍታት ተቓውሞ ምስ ተኻየዱ ብዕልዋ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ። ከምኡ’ውን ቁጠባዊ ቅልውላዋትን ኣካታዓይ ውጽኢት መረጻን ካልእ ምኽንያት እቲ ተቓውሞታት ነይሩ። ከይታ፡ ኣብ ፖሊቲካ ምንቅስቓስ ካብ ዝጅምር ሰላሳ ዓመታት ዝመልኦ ኾይኑ፡ ብፍላይ ካብ 1994 ክሳዕ 2000 ሶሻሊስታዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ኣገልጊሉ። ‘ለጋስ፣ቁጡዕን ከፋፋልን’ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ እትርከብ ካቱዋላ እትበሃለት ከተማ ዝተወልደ ከይታ፡ ኣቡኡ ሰራሕተኛ መንግስቲ ነይሩ። ካብኡ ድማ ስነ ጽሑፍ፣ ታሪኽን፣ ዓለምለኻዊ ርክባትን ከጽንዕ ናብ ፓሪስ ኣምሪሑ። ብ1980 ናብ ዓዱ ቅድሚ ምምላሱ፡ ኣብኡ ኣብ ፈረንሳይ ንዓሰርተ ዓመታት ዝኣክል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፓሪስ ብመምህርነት እናገልገለ ተቐሚጡ። መጀመርታ ብሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ዝምወልን ‘ልምዓት ሕብረት ኣውሮጳ’ ብዝብል ዝፍለጥን ትካል ከም ኣማኻሪ ኮይኑ ሰሪሑ። ብደገፍቱ ከም ለጋስ፣ ቁጥዕን ከፋፋልን ተገይሩ እዩ ዝረአ። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ላላ ሳይ ከምእትብሎ፡ ኣብ 2012 ሕቶ ምንጻልን እስላማዊ ምንቅስቓሳትን ምስተጀመረ ማሊ ኣብ ከቢድ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣትያ ነይራ። እንተኾነ፡ ፕረዚደንት ከይታ ኣብ 2013 'ሰላምን ምርግጋዕን ከምጽእ እየ' ብዝብል ጎስጓስ ብጸቢብ ኣፈላላይ መረጻ ከምዝተዓወተ ይግለጽ። ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ግን ነታ ሃገር ካብቲ ዝኣተወቶ ዓዘቕቲ ከውጽኣ ኣይከኣለን። ብምዃኑ’ውን ኣብ 2020 ብዕልዋ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ። ድሕሪ ሒደት ሰሙናት፡ ብወቕዒ ልቢ ዝተጠቕዐ ኾይኑ ንሕክምና ናብ ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ ተላኢኹ። ‘ጁን ኣፍሪቅ’ ዝተብሃለ ብቋንቋ ፈረንሳይኛ ዝጸሓፍ መራኸቢ ብዙሐን ከምዝበሎ፡ ካብኡ ንሓር ደሃይ ኣጥፊኡ ኣብታ ዝተወለደላ ከተማ ባማኮ ምስ በዓልቲ ገዝኡ ኣሚናታ ይነብር ነይሩ። ወተሃደራት ማሊ ንካልኣይ ግዜ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዕልዋ መንግስቲ ኣካይዶም ነይሮም። እቲ መረጻ ድማ ንሰለስተ ዓመታት ክናዋሕ ምኽንያት ኮይኑ። ማሊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ሕብረት ኣውሮጳን ካብ ዞባዊ ቁጠባዊ ምትሕብባር ኢኮዋስne ማዕቀብ ተነቢርዋ ይርከብ።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60020846"} {"headline":"ወዲ 102 ዓመት ጋናዊ ሸኽ ንመስርሒ ቤተ ክርስትያን 8 ሽሕ ዶላር ለጊሶም","content":"ጋናዊ መራሒ ሃይማኖት እስልምና ሸኽ ዑስማን ሻራቡቱ ኣብታ ሃገር ይህነጽ ንዘሎ ገዚፍ ካቴድራል ቤተ ክርስትያን መህነጺ ዝኸውን ልዕሊ 8 ሽሕ ዶላር ከምዝወፈዩ ተገሊጹ። ጋና ኣብ መንጎ ኣመንቲ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ተኸባቢርካን ተፋቒርካን ናይ ምንባር ባህሊ ከምዘሎ’ኳ ዝፍለጥ እንተኾነ ናይዞም ሸኽ ወፈያ ግን ፍልይ ዝበለ’ዩ ተባሂሉ’ሎ። እቶም ወዲ 102 ዓመት መራሒ ሃይማኖት እቲ ዝሃብዎ ወፈያ ኣብ መንጎ እስልምናን ክርስትናን ተፋቒርካ ብሰላም ናይ ምንባር ባህልን ልምድን ዝያዳ ንምሕያል ከምዝኾነ ተዛሪቦም። እቶም መራሒ ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና ሸኽ ዑስማን ሰለማዊ ወርሻ ምግዳፎም ከረጋግጹ ከምዝደልዩ ሓቢሮም። ንሶም ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ናይ ካቶሊካውያን ቤተ ክርስትያን በዓል ፋሲጋ ምስታፎም ስዒቡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ያዕያዕታ ፈጢሩ ከምዝነበረ ይፍለጥ። መንግስቲ ጋና ነቲ ብደረጃ ሃገር ክህነጽ ተወጢኑ ዘሎ ካቴድራል ቤተ ክርስትያን ደቂ እታ ሃገር መስርሒ ገንዘብ ከዋጽኡ ብወግዒ ጻዊዒት ኣቕሪቡ’ዩ። እቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ርእሰ ከተማ ጋና ኣክራ ዝህነጽ ኮይኑ ክሳብ 100 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ወጻኢ ከምዝሓትት ይግመት። ህንጸት እቲ ኣዘራራቢ ቤተ ክርስትያን ኣብ 2024 [ኣቆጻጽራ ፈረንጂ] ክዛዘም’ዩ ተባሂሉ ዝተገመተ ኮይኑ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሙዝየምን 5 ሽሕ ሰባት ዘተኣናግድ ዓብይ ኣዳራሽ ዘካተተ’ዩ። እቲ ቤተ ክርስትያን ዋላ’ኳ ብናይ ውልቀ ሰባት ገንዘብ ዝህነጽ እንተኾነ፡ ብዙሓት ሰባት ግን ምስ እቲ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ቁጠባዊ ዘይምርግጋእ ንህንጸት ቤተ ክርስትያን ምቕዳም ዘይግቡእ’ዩ ክብሉ ክነቕፍዎ ይስምዑ።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58375039"} {"headline":"ዶክተር ቀሺ ብርሃነ ኣስመላሽ፡ “ዓድና ዘይትምለሶ ዓዲ ኰይኑ ብምትራፉ የጕህየኒ”","content":"ኣብ እዋን ስርዓት ደርግ (1974-1991) ሰባት ብዝወዓሉዎን ዘይወዓሉዎን ብጥርጣረን ፖለቲካዊ መርገጺኦምን ከካብ ቤቶም፡ ካብ ስርሖም፡ ካብ መንገዲ ብጥቈማ፡ ገለኢኦም እውን ተለኪሞም ብጃምላ ይእሰሩሉን ይቕተሉን ምንባሮም ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራን ኢትዮጵያን ከይተረፈ ሕሱም እዋን ዘሕለፉ ሰባት ይዝክሩዎ። ኣብቲ እዋን ኣብ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ሓካማይ (ድረሰር) ኰይኖም ዝሰርሑ ዝነበሩ ቀሺ ብርሃነ ብሓደ ሰብ ተጠቊሞም ተኣስሩ። እንተኾነ ብሰንኪ ወንጌላዊ እምነቶም ድዩ ወይስ ብኻልእ ምኽንያት ከምዝተኣስሩ ኣይፈለጡን። ኣብቲ እዋን ብዙሓት ሰባት ከይተነግረሎም በቲ እተኣስሩዎ ዝጠፍኡ ከምዝነበሩ ቀሺ ብርሃነ ይዛረቡ። “ኣብ ዓዲ ቐይሕ ተኣሲረ ናብ ካርሼሊ ኣስመራ ምስ ገዓዝኩ፡ መብዝሕትኦም እቶም እሱራት አእጋሮም ብፋሻ ተጀኒኖም ሓንከስ-ሓንከስ ክብሉ ምስ ረኣኹ ገሪሙኒ ምስሓተትኩ፡ ከብዲ እግሮም ምስተቐጥቀጡ አእጋሮም በሻዕሻዕ ከም ዝበለ ነጊሮሙኒ” ብማለት ነቲ ሕሉፍ ይዝክሩ። ቀሺ ብርሃነ ኣብቲ ዝተገብረሎም ምርመራ፡ ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ነቲ ዝቐረበሎም ክሲ ስለዝነጸጉዎ፡ [ እቲ ክሲ እንታይ እዩ ነይሩ ]ብዘይ ገለ ፍሉጥ ገበን ካብ ካርሸሊ ንቤት-ማእሰርቲ ሰንበል ሰጊሮም ንዓሰርተ ሓደ ኣዋርሕ ተኣስሩ። በብእዋኑ መተኣስርቶም ሓደ-ብሓደ እናተወስዱ ክርሸኑ ይዕዘብ ስለ ዝነበሩ ኣስማት እቶም ሰባት ክጽዋዕ እንከሎ ይስቀቑ ከምዝነበሩ ይዛረቡ። እቲ ከምዘእሰሮም ዝኣምንሉ፡ መሳርሕቶም ፈለማ ኣብ ‘ምርመራ ገበን’ (ካርሸሊ)፡ ዳሕራይ ከኣ ኣብ ሰምበል ምሰኦም ተኣሲሩ ከምዝነበረ የዘንትው። “ምስቲ ዘእሰረኒ ሰብ ክፍሊ እንዳ ሕሙማት ብሓንሳብ ነይርና። ኣብታ ክፍሊ፡ ሕሙማትን ንሞት ዝተፈርዱ ሰባት ኢና ኔርና። ዋላ’ኳ እቶም ካልኦት መተኣስርተይ ነቲ ዘእሰረኒ ሰብ ከም ጸላእየይ ገይረ ክርእዮ እንተ ቀሰቡኒ፡ ኣነ ግን ኣንጻር መትከል ወንጌላዊ እምነተይ ስለ ዝዀነ ብሕማቕ ኣይርእዮን ነይረ። \"እኳ`ድኣ ን24 ሰዓታት ኣብ ሓደ ክፍሊ ብሓባር ንነብር ስለ ዝነበርና፡ ጥዕና ኸኣ ስለ ዘይነበሮ (ኣእምሮኡ ስለ ዝሰሓተ)፡ ብዝከኣለኒ መጠን እሕግዞን እከናኸኖን ነይረ። ኣብ መጠረስትኡ፡ ዮሴፍ ንሓሙሽተ ዓመት ስለ ዝተፈርደ ኣብኡ ገዲፈዮ ወጺአ” ይብሉ ቀሺ ብርሃነ። ብ1980 ኣቢሉ፡ ብዉሑዱ ከም በዓል መምህር ዘርኣይ (ሓለቓ ምድላው መምህራን ዝነበረ)፡ ኣቶ መስፍን ባርያጋብር (ናይ ኤርትራ ፋርማሲ ሓላፊ ዝነበረ)፡ ኣቶ መስፍን ሰሎሞን (ናይ ተሌኮሙኒከሽን ኤንጂኔር) ዝነበረ ክርሸኑ ከምዝዝክሩ ይሕብሩ። “ከም እሱራት ኣብ ፍጹም ራዕዲ ኢና ንነብር ኔርና። ካብ ናትና ዝኸፍአ ግን ስድራና፡ ናብራኦም ዛሕዛሕ ኢሉ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ኢሎም ተሳቕዮም’ዮም ” ይብሉ ቀሺ ብርሃነ። ሓደ መዓልቲ፡ ከም ናቶም ሽምን ስም ኣቦን ዘለዎ፡ ብርሃነ ኣስመላሽ ዝተባህለ ትግራዋይ ተቓላሳይ ወያናይ ምስ ብጾቱ ብርክት ዝበሉ ተጋደልቲ ወያነ ከም ዝተረሸነ ብራድዮ ተነግረ። “ነቲ ዝተረሸነ ሰብ ኣነ ብኣካል እፈልጦ ነይረ - ኣብ ቤት ትምህርቲ ቀዳማዊ ሃየለ ስላሴ ካልኣይ ደረጃ ናይ ፊዚክስ መምህር’ዩ ነይሩ፣ ሕያዋይ ሰብ’ዩ ነይሩ” ይብሉ ቀሺ ብርሃነ። “ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎና ንዕኡ ዝመጽአ መግቢ ብጌጋ ናባይ ከምጽእዎ - ናተይ ከኣ ናብኡ ክኸይድ እዝክሮ ... ብኸምኡ ከኣ እዩ ምሳይ ተኣሲሩ ከም ዝነበረ ተረዲኡኒ” ክብሉ ይዝክርዎ። ኣዲኦም ንቀሺ ብርሃነ ግን ወደን ዝተረሸነ መሲሉወን ሰንቢደን ብዙሕ ጎሃያ። ዳሕራይ ግን እቲ ዝተረሸነ ሰብ ካልእ ብርሃነ ኣስመላሽ ምንባሩ ፈሊጠን። “ይኹን’ምበር ሽዑ ኣደይ ኣኺሉ ተሪፉዋ’ዩ!” ይብሉ ቀሺ ብርሃነ። ኣብቲ እዋን ናብራ እሱር ኰነ ናብራ ስድራኡ ኩሉ ስቓይ እዩ ነይሩ። ቀሺ ብርሃነ ሽዑ ኣብ ርእሲ ማእሰርቶም ብርቱዕ ሕማም ሽኮር ስለ ዝነበሮም መዓልታዊ መርፍእ እናተወግኡ ስለዝነብሩ ቤተሰቦም ሰለስተ ጊዜ ንሰሙን ምግብን ቅያር ክዳንን ሒዞምሎም ይመጽኡ ነይሮም። “ኣነ ጥዕና ስለ ዘይነበረኒ እቲ ክሽነ ቤት ማእሰርቲ ጸባን እንቋቕሖን ይህቡኒ ነይሮም፣ ቀትርን ምሸትን ከኣ ዓደስ ብእንጀራ ይወሃበና ነይሩ፣ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ስድራና ዘምጽኡልና ምግቢ ነይሩ’ዩ” ኢሎም የዘንትዉ። እቲ መግቢ እኹል ስለ ዝነበረ ምስ እሱራት ተጋደልቲ ኰይኖም ብሓባር ተኻፊሎም ይበልዕዎ ከም ዝነበሩ ይዝክሩ። ትምህርቲ ድሕሪ ማእሰርቲ ድሕሪ’ቲ ኹሉ ጸበባ ብ1981 ናጻ ተባሂሎም ብዕድል ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈትሑ። “እቲ ዝፈጸምካዮ ገበን ካብ ጕድለት ንቕሓት ስለ ዝዀነ ናጻ ኢልናካ ኣሎና” ዝብል ናይ ምስክር ወረቐት ተዋሂቡዎም ካብ ቤት ማእሰርቲ ብህይወቶም ተገላገሉ። በቲ ዝወረዶም ግፍዒ ከይተሰናበዱን ሞራሎም ከይወደቐን ንብድሆታት ህይወት ክገጥሙ ዳግማይ ብድድ በሉ። ድሕሪ ማእሰርቲ ናብ ስርሖም ክምለሱ ጠለብ ምስ ኣቕረቡ ፍቓድ ረኸቡ። ኣብ ክንዲ ንዓዲ ቀይሕ ዝምለሱ ግን ኣብ ኣስመራ ተመዲቦም ክሰርሑ ተፈቕደሎም። ዕለታዊ ስርሖም እናሰርሑ ምሸት-ምሸት ከኣ ትምህርቶም ይቕጽሉ ነበሩ። ሃገራዊ መልቀቕ ፈተና (ማትሪክ) ተፈቲኖም ስለ ዝሓለፉ ኣብ ጎንደር ከይዶም ኣብ ሕክምና ኮሌጅ ኣተዉ። መምህራኖም ጀርመናውያን ብምንባሮም፡ እኹል ክንክን ይገብሩሎም ከም ዝነበሩ’ውን የዘንትዉ። እንተኾነ ኣብ ጸሎተ ኣምልኾ ብግቡእ ይሳተፉን ይነጥፉ ስለ ዝነበሩ ተጻብኦታት ኣጓነፎም። ብሰንኩ ከኣ ንሓደ ዓመት ካብ ትምህርቶም ተዓናቐፉ። መቕጻዕቶም መስ ወድኡ ከኣ ናብ ትምህርቶም ተመሊሶም ብ1989 ብሕክምና መዓርግ ተመሪቖም ኣብ ኣስመራ ተመዲቦም ስርሖም ጀመሩ። ሓድሽ ህይወት ኣብ ኣስመራ ቀሺ ብርሃነ ብጊዜ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሕክምና-ኣእምሮ (ሳይካያትሪ) ሆስፒታል የገልግሉ ነበሩ። ኣብቲ እዋን ድሮ ሓዳር ገይሮም ብድሕሪኡ ናብ ኣስመራ ተመሊሶም ምስ ቃለ-ህይወት ቤተ ክርስትያን ካብ 1993-1999 ሰርሑ። እቲ ስራሕ ምስ ልምዓት ሃገር ዝተኣሳሰረ’ዩ ነይሩ። ቀሺ ብርሃነ ኣብ ኣስመራ ዘሕለፍዎ ናይ ስራሕ ጊዜ ሕውስውስ ዝበለ ምንባሩ ይዝክሩ። በቲ ቤተክርስትያን ኣቢሎም ካብ ወጻኢ ናይ ሆስፒታል ኣቑሑት እናምጽኡ፡ ዘድሊ ሓገዝ እናበርከቱ ይሰርሑ’ኳ እንተነበሩ መንግስቲ ግን ብተጻብኦታት ንከይሰርሑ ዕንቅፋት ከምዝኾኖም ይዛረቡ። “እቲ ህዝቢ ሓገዝ እናድለዮ ክነሱ መንግስቲ ግን ምሒር ኣብ ምቍጽጻር ብምትኳር ነቲ ስራሕ ይብድሎ ነበረ” ይብሉ። “ናይ ምቍጽጻር ዓቕሚ ስለ ዘይነበሮ ድማ ስራሕካ ደው ንኸተብሎ ይግድደካ፣ ነቲ ስራሕ ባዕሉ ንከይሰርሖ’ውን ዓቕሚ ኣይነበሮን፣ ነቶም ዓቕሚ ዝነበሮም ሰባትን ትካላትን ንከይሰርሑ ከኣ ጣልቃ እናኣተወ የሸግረና ነይሩ” ኢሎም ነቲ ዘጓንፎም ዝነበረ ሽግር ይገልጽዎ። ብሰንኪ እቲ ግሉጽነት ዘይነበሮ ኣሰራርሓን ጸቕጥን ነቲ ስራሕ ክጸልኡዎ ጀሚሮም። “ንኣብነት ኣብ ጊዜ ዉግእ ባድመ እቲ ሰራዊት ናይ ሕክምና ዕጥቂ ኣይነበሮን፣ ነቲ ዉጉእ ንምርዳእ ላዕልን ታሕትን ክንብል እንከለና ‘መን በለካ’ ብዘስምዕ ኣገባብ ስራሕና ይዕንቅፉና ነይሮም” ብማለት ነቲ ሽዑ ዝተመኰሩዎ ይገልጹ። ጕዕዞ ናብ ስደት ቀሺ ብርሃነ ብ1999 ናይ ክልተ ዓመት ማህደረ-ትምህርቲ [ናጻ ናይ ትምህርቲ ዕድል] ረኺቦም ብዛዕባ ‘እስላማዊ መጽናዕቲ’ ንኬጽንዑ ንዓዲ እንግሊዝ ምስ ስድርኦም ተጓዕዙ። ትምህርቶም ወዲኦም ነቲ ብሕክምና ዝሰልጠንሉ ሞያ ንከይወድቕ - ምእንቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንኽጥቀምሉ - ፈተና ገይሮም ተዓወቱ። ብዝያዳ ግን እቲ መንፈሳዊ ስራሕ ይዓጅቦም ስለ ዝነበረ ህውኽ ኢሎም ኣብ ስራሕ ሕክምና ኣይኣተዉን። ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ንክነጥፉ ስነ-ሃማኖት (ቲዮሎጂ) ተማሂሮም ንቕሽነት ክለብሱ ኸኣ ተወሳኺ ሰለስተ ዓመት ተማሂሮም መዓርግ ቅሽነት ለበሱ። ኣብቲ እዋን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ወንጌላውያን ኣመንቲ ዝወስዶ ዝነበረ ስጕምትታት ሕማቕ ከምዝነበረ ዝገልጹ ዶክተር ቀሺ ብርሃነ: መንፈሳዊ ጐስጓስ ከካይዱ ጀመሩ። ቀሺ ብርሃነ በቲ ማሕበሮም ኣቢሎም ንእሱራት ኤርትራ - መራሕቲ ሃይማኖት ኰኑ ኣባላት ማሕበር - ጸሎት ኪገበሩሎምን ኣብ መጋባእያታት ወጺኦም ብቕሉዕ ይጣበቕሎም ምንባሮም ይዛረቡ። “እቲ ኣብዚ ኣብ ዓዲ ስደት ኰይነ ዘበርክቶ መንፈስዊ ኣገልግሎት ኣብ ዓድና እንተዝዀነለይ ንፈጣሪ ብዙሕ መመስገንኩ። ግን እምነተይ ኰነ መንፈሳውነተይ ኣብ ሃገርና ንከይኣቱ ጸገም ስለ ዝፈጥር በታ ዓቕመይ ኣብዚ ኰይነ ንክሰርሕ ወሲነ”። ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነቶም ንዝተኣስሩ ንከም በዓል ዶክተር ክፍሉ ገብረመስቀል፡ ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ መምህር ዝነበሩ፡ ንዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ብእምነቶም ገበነኛ ተባሂሎም ዝተኣስሩ፣ ንከም በዓል ዶክተር ፍጹም ገብረንጉስ፡ ሓኪም ስነ-ኣእምሮ፡ ኣባል ኦርቶዶክስያዊት ቤት-ክርስትያን፡ ንሶም’ውን ብ 2004 ተኣሲሮም ጌና ኣብ ዝኣተውዎ ዘይፍለጡ ኣማኒን ካልኦት ኣማኢትን ብምዝካር ፈጣሪ ኣብ ዘለውዎ ሸላታት ጽንዓት ክህቦም ይጽልዩን ኣብ ዝነብሩሉ ዓዲ ኢንግሊዝ ሰላማዊ ሰልፊ ብምውዳብ ጸገሞም ንዓለም ይነግሩሎም። ቀሺ ብርሃነ ህዝቢ ኤርትራ ጸጋ ሃገር ምዃኑ ብምጥቃስ፡ “ዓድና ዘይትምለሶ ዓዲ ኰይኑ ብምትራፉ የጕህየኒ ... እቲ ሃገር ከልምዕ ዝኽእል ሓይሊ ኣብ ደገ’ዩ ዘሎ ... ገና ኸኣ ሰብ ይስደድ ኣሎ። እዚ ኣንፈት’ዚ እንድሕሪ ዘይተለዊጡ ሃገርና ኣይክሓልፈላን’ዩ” ብምባል መንፈሳውነት ንሃገር ከምዘሐይል እምበር ከምዘየዳኽም የረድኡ። ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ናጽነት ሃይማኖታት ብተደጋጋሚ ክትክሰስ እኳ እንተጸንሐት መንግስቲ፡ \"ብዛዕባ ኤርትራ ግጉይ ስእሊ ኣሎ ኮይኑ'ምበር ኤርትራ መሰል ሃይማኖታት እተኽብር\" ምዃና እዩ ዝገልጽ። ንዛንታ ዶክተር ቀሺ ብርሃነ ኣስመላሽ ኣገዳሲ ኰይኑ ዝረኸቡዎ ኣህጕራዊ ማሕበር፡ ብጕዕዞ ህይወቶም ብቋንቋ እንግሊዝ ሓደ መጽሓፍ ጽሒፎምስ ኣብ ምዝዛሙ ይርከብ።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61138376"} {"headline":"ካናዳ፡ ፋስ ሒዙ ኣብ መስጊድ መጥቃዕቲ ክፍጽም ዝፈተነ ውልቀ ሰብ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ","content":"ኣብ ካናዳ ትማሊ ቀዳም ንጉሆ ኣብ ሓደ መስጊድ ኣመንቲ ሃይማኖት እስልምና ሶላት እንዳገበሩ እንከለዉ ፋስ ሒዙ ዘቃጽል ፈሳሲ ብምንጻግ መጥቃዕቲ ክፍጽም ዝፈተነ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ከምዝኣተወ ተፈሊጡ። እቲ ወዲ ኣብ ቁጽጽር ክኣቱ ዝኸኣለ እቶም መእመናን ምስኡ ሓዝ ክሕዝ ገጢሞም ድሕሪ ምጽንሖም’ዩ ተባሂሉ። ሓደ መእመን ነቲ ወዲ ፋሱ ኣሕዲጉ ፖሊስ ክሳብ ዝመጽእ ፊሒት ከይብል ኣብ ምድሪ ቤት ኣደቂሱ ከምዘጽንሖ መራኸቢ ሓፋሽ ካናዳ ጸብጺቡ። ነቲ ተግባር ዝፈጸመ ወዲ 24 ዓመት ኣብ ደንደስ ባሕሪ ከተማ ሚሲሳውጋ ተታሒዙ ክሲ ከምዝተመስረተሉ ተገሊጹ። እቲ ክሱስ ወዲ ብዝነጸጎ ፈሳሲ ምኽንያት ገለ ኣብቲ መስጊድ ዝነበሩ መእመናን ጉድኣት ከምዝበጽሖም ኢማም ናይቲ መስጊድ ተዛሪቦም። ካብቶም መእመናን ሓደ ነቲ ክስተት “ዘፍርሕ” ኢሉ ዝገለጾ ኮይኑ እቲ ወዲ ፋስ ሒዙ ምስ በርበረ ዝመሳሰል ፈሳሲ ኣብ ሰለስተ ሰባት ቅድሚ ምንጻጉ ኣውያት ከምዝተሰምዐ ሓቢሩ። “እቲ ወዲ ነቲ ፈሳሲ ክነጽጎ እንከሎ ኣብ መጀመርታ መስርዕ ዝነበሩ ሰባት ሓደ ነገር ተረዲኦም። ካብኡ ንድሓር ሓደ ማእጋር መንእሰይ ምስ እቲ በዓል ፋስ ገጢሙ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍጻሙ ነቲ ፋስ ኣሕዲጉዎ” ክብል ኑራኒ ሴራሊ ንሓደ ኣብ ካናዳ ዝመደብሩ ጋዜጣ ዘ ግሎብ ኤንደይ መይል ገሊጹ። እቲ መንእሰይ ፖሊስ ናብቲ ከባቢ ክሳብ ዝበጽሕ ነቲ ወዲ ሒዙ ከምዘጽንሖ ምስክርነቱ ሂቡ። ኢማም ናይቲ መስጊድ ኢብራሂም ሂንዲም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እቲ ወዲ ናብቲ መስጊድ ዝኣተወሉ ክስተት ከብርሁ እንከለዉ “ኣብቶም ኣመንቲ ጉድኣት ቅድሚ ምብጽሑ ብዙሓት መእመናን ነቲ ተግባር ብጅግንነት ገቲኦሞ” ኢሎም። “ማሕበረሰብና ኣይክስበርን፤ እምቢ ንመጥቃዕቲ ኢልና ኢና” ክብሉ ኢማም ኢብራሂም ገሊጾም። ፖሊስ እቲ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ውልቀሰብ ሞሓመድ ሞይዝ ዖማር ከምዝበሃል ዕላዊ ገይሩ’ሎ። እቲ ውልቀሰብ ህይወት ደቂ ሰባት ኣብ ሓደጋ ብምእታው፣ በሊሕ ነገር ተጠቒምካ ኣካል ደቂ ሰባት ንምጉዳል ሓሲብካ ብዝብሉን ሓዊስካ ብ6 ገበናት ተኸሲሱ። ኣብቲ ፈለማ እዋን እቲ ወዲ ስለምንታይ ነቲ ድርጊት ከምዝፈጸሞ ርግጸኛ ምዃን’ኳ እንተዘይተኽኣለ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን መርመርቲ ፖሊስ “ብጽልኢ ተለዓዒሉ” ዝተፈጠረ ክስተት’ዩ ኢሎም ከምዝኣምኑ ሓቢሮም። ቀዳማይ ሚኒስትር ካናዳ ጀስቲን ቱሩዶ ነቲ ተግባር ካብ ዝኾነኑ ውሩያት ሰባት ሓደ ኮይኑ ነቲ መጥቃዕቲ “ዘስካሕክሕ” ኢሉ ድሕሪ ምግላጽ ዓርሰ እምነት ናይቶም ኣብቲ መስጊድ ውሽጢ ዝነበሩ ሰባት ኒኢዱ። ማሕበረሰብ ሙስሊም ካናዳ ኣብ 2017 [ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ንሹድሽተ ሰባት ዝቐተለን ካልኦት 8 ሰባት ዘቑሰለን ኣብ ከተማ ኪዩቤክ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ሓዊስካ ብዙሓት መጥቃዕቲ በጺሕዎ’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን እንተኾነ ኣርባዕተ ናይ ሓንቲ ሙስሊም ስድራቤት ኣባላት ብመኪና ተገጭዮም ከምዝተቐተሉ ዝዝከር እዩ። ፖሊስ ነቲ ክስተት “እስላማዊ ጽልኢ ብዘለዎም ኮነ ተባሂሉ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ” ክብል ገሊጽዎ ነይሩ።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60812739"} {"headline":"ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ጎንደር ብዝተላዕለ ሃይማኖታዊ መልክዕ ዘለዎ ጎንጺ ህይወት ሰባት ሓሊፉ","content":"ትማሊ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ጎንደር ሃይማኖታዊ መልክዕ ዘለዎ ጎንጺ ተላዒሉ ክሳብ ሕጂ ህይወት 20 ሰባት ከም ዝጠፍአ ተገሊጹ። ብተወሳኺ ኣካላዊ መጉዳእቲ ከም ዝበጽሐን መሳጊድ ከም ዝተቓጸሉን ተገሊጹ። ሓላፊ ዘፈር ፍልጠትን መስጊድን ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክልል ኣምሓራ ሓጂ ዑስማን ዑመር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ክሳብ ሕጂ 20 ሰባት ከም ዝሞቱ ኣረጋጊጹ። መንግስቲ እቲ ክልል ትማሊ ኣማስዩ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ብሰንኪ እቲ ጎንጺ ሰባት ከም ዝሞቱ፣ ኣካላዊ መጉዳእቲ ከም ዝበጽሐን ንብረት ከም ዝዓነወን ሓቢሩ። እንተኾነ ብዝሒ ዝሞቱ ሰባትን ዝዓነወ ንብረትን ብግልጺ ኣየቐመጠን። እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ ረፋድ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣብ ጎንደር መካነ መቓብር እስላም ይፍጸም ኣብ ዝነበረ ስነ ስርዓት ቀብሪ፡ ንቀብሪ ኣብ ልዕሊ ዝመጽኡ መናእሰይ ብነፍሲ ወከፍን ብጉጅለን ተጠቒዖም'ዮም ይብል። እቲ መጥቃዕቲ \"ኣቐዲሞም ብዝተዳለው ኣጽዋር\" ዝተፈጸመ እዩ ዝብል እቲ መግለጺ፡ ህይወት ሰብ ሓዊሱ ናይ እስላም ድኳናት ከም ዝተዘመቱን መሳጊድ ከም ዝተቓጸሉን ከምኡ'ውን እስላም እናተፈለዩ ከም ዝተቐጥቀጡ የብርህ። ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክልል ኣምሓራ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ እስልምና ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ ብምኹናን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ እስላም ክኹንኑዎ ጸዊዑ። መንግስቲ እቲ ክልል ኣብ መግለጺኡ \"ብሰንኪ እቲ ጎንጺ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰላማውያን ሰባት፣ ኣካልን ንብረትን ብዝበጽሐ ጉድኣት ዓᎁቕ ሓዘን ከም ዝተሰምዐና ብምግላጽ ንስድራ ግዳያት ጽንዓት ይሃብኩም\" ይብል። ብተወሳኺ መጠን እቲ ዝበጽሐ ጉድኣት መረዳእታ ብምእካብ ንህዝቢ ከም ዘፍልጥን ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ንምውዓል ክሰርሕ ከም ዝጀመረን ሓቢሩ። እቲ ጎንጺ፡ ኣብ እዋን ስነ ስርዓት ቀብሪ ፍሉጥ ሸኽ እታ ከተማ ዝነበሩ ሸኽ ከማል እዩ ተላዒሉ። ኣብቲ ናይ መቓብር ቦታ፡ ንቐብሪ ዝኸውን እምኒ ክልዓል እንከሎ እቲ ናይ መቓብር ቦታ ኣብ ጥቓ ቤተ ክርስቲያን ስለ ዝኾነ \"እቲ እምኒ ኣብ ቀጽሪ እቲ ቤተክርስቲያን'ዩ ዘሎ\" ብዝብል ውጥጥ ከም ዝተላዕለ ይግለጽ። ሓላፊ ቢሮ ጸጥታን ሰላምን እቲ ክልል ኣቶ ደሳለኝ ጣሰው ኣብ ሞንጎ ተኸተልቲ እምነት እስልምናን ክርስትናን ግጭት ንምልዕዓል ብዝብል \"ግጉይ ሓበሬታ ብምሃብ እምኒ ምድርባይ\" ተጀሚሩ ክብል ንቴሌቪዥን ክልሉ ተዛሪቡ። ንቐብሪ ዝኸውን እምኒ \"ከነልዕል ኢና፤ ናይቲ መስጊድ'ዩ። ኣይተልዕሉን ናይ ቀጽሪ እቲ ቤተክርስቲያን እዩ\" ብዝብል ገለ ውልቀሰባት ዝጀመሩዎ ጎንጺ ምኽንያት ሞትን መጉዳእቲ ኣካልን ኮይኑ'ዩ ይብል መግለጺ መንግስቲ ኣምሓራ። መንግስቲ \"ብኣኽራሪ ኣተሓሳስባ ዝፍጠር ምዝራግ ሰላም ኮነ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ኣካልን ንብረትን ዝበጽሕ ዕንወት ዝሽከም እንግድዓ የብሉን ኣይንዕገስን\" ብምባል ምስቲ ጎንጺ ብዝተሓሓዝ ተሓተቲ ኣብ ልዕሊ ዝኾኑ ኣካላት ሕጋዊ ስጉምቲ ከም ዝወስድ ኣፍሊጡ።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/61240073"} {"headline":"ኣፈኛ ባይቶ ኣሜሪካ፡ ኣብ ቻይና ንዝካየድ ዊንተር ኦሎምፒክ ኣድማ ክግበር ፀዊዓ","content":"ኣፈኛ ባይቶ ኣሜሪካ ናንሲ ፔሎሲ፡ ኣብ ቻይና ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ይፍፀሙ ብምህላዎም፡ ነቲ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ኣብ ቤንጂንግ ዝካየድ ዊንተር ኦሎምፒክ፡ ዲፕሎማስያዊ ኣድማ ክግበር ፀዊዓ። ዋላ'ኳ ኣትሌታት ኣብቲ ምድላው ክሳተፉ ዝኽእሉ እንተኾኑ፡ ኣማሓደርቲ ግዝኣታት ግና፡ ክሳተፉ ኣይግባእን ኢላ። ናንሲ ፔሎሲ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ዞባ እዩግሆር ኣብ ልዕሊ እስላም ዝፍፀም ግህሰት፡ እቲ ኣብ ቻይና ዝካየድ ዊንተር ኦሎምፒክ ንዘይምርካብ ኣድማ ክግበር ዝፀወዐት፡ ፈላሚት ኣሜሪካዊት ፖለቲከኛ እያ። ቻይና፡ ኣብቲ ዝዓበየ ክልል ሰሜናዊ ምዕራብ፡ ልዕሊ 1 ሚልየን እዩግሆራውያንን ካልኦት እስላምን ከምዝኣሰረት ይግለፅ። መብዛሕትኦም ኣብ ዚንጃንግ ዝተኣሰሩ ሰባት፡ ናብ መዓስከራት ብምልኣኽ፡ መወዳእትኡ ንዘይፍለጥ ግዘ ብዘይገለ ፍርዲ ተሓይሮም ይርከቡ። ኣፈኛ ባይቶ ኣሜሪካ ድማ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣማሓደርቲ ግዝኣታት፡ ነቲ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ወርሒ ለካቲት ኣብ ቻይና ዝካየድ ዊንተር ኦሎምፒክ ኣድማ ክገብሩ ይግባእ ብምባል ፃውዒታ ኣቕሪባ። \"መራሕቲ ሃገራት ናብ ቻይና ከይዶም፡ ንመንግስቲ ቻይና ከኽብርዎ ኣይንግበር\" ኢላ። እዚ ጥራሕ ኣይኮነን፡ \"ናብ ቻይና ትኸዱ ኣማሓደርቲ ግዝኣታት፡ ንስኹም ኮፍ ኣብ ዝበልኩምሉ ፃት፡ ምፅናት ይካየድ ከምዘሎ ኣብ ግምት ኣእትዉ። እስኪ ክሓተኩም? ድሕሪኡ ኣብ ዓለም ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ምዝራብ ሕጋዊ ሞራል ከመይ ኢሉ ይህልወኩም?\" ኢላ፡ ኣፈኛ ናንሲ ፔሎሲ። ወሃቢ ቃል ኤምባሲ ቻይና ኣብ ዋሽንግተን ሊዩ ፔንግዩ ብወገኑ፡ ነቲ ናይ ናንሲ ፔሎሲ ሓሳብ ተሪር ግብረ መልሲ ሂብሉ። እቲ ኣፈኛ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ \"ገለ ኣሜሪካውያን ፖለቲከኛታት እንታይ ዓይነት 'ሕጋዊ ሞራል' (moral authority) ከምዘለዎም እዩ ዝደንቀኒ። ሕዚ ኮነ ኣብ ታሪኽ፡ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት፡ ክዛረብሉ ዝኽእልሉ ኮነ ኣንፃር ቻይና መሰረት ኣልቦ ነቐፌታ ዘቕርብሉ ሃዋህው የብሎምን\" ኢሉ። መንግስቲ ቻይና ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ እዩግሆር ኣስገዳድ ምምኻን ብምፍፃምን ህፃናት ካብ ስድርኦም ብምፍላይን ከምዝኽሰስ ይፍለጥ። ቻይና ግና፡ ህላወ እቶም መዓስከራትን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ትፍፅምን ዝብሉ ክስታት ኣይትቕበሎምን።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57088612"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ምስ እስልምና ኢትዮጵያ ዝነበሮ ርክብ ከምዝበተኸ ገሊጹ","content":"ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ምስ ጠቕላሊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ዝነበሮ ርክብ ከምዘቛረጸ ጸብጻባት ማዕኸናት ዜና እቲ ክልል ሓቢረን። እቲ ቤት ምኽሪ ትማሊ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪቱ ኣብ ዝዘተየሉ እዋን፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ኲናት ብዘይኣፈላላይ ተኸተልቲ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ግፍዒ ከም ዝተፈጸሞም ገሊጹ። በዚ ምኽንያት ጠቕላሊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ \"ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈጸሙዎ ገበን መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ክንዲ ምኹናን ብገንዘብን ሞራልን ብምሕጋዝ ብምትሕብባሩ\" ብናይ በዓልና ሕገ ክንመሓደር ወሲንና ከም ዝበለ ቴሌቪዥን ድምጺ ወያነ ኣቃሊሓ። ቢቢሲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ንዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ከዘራርብ እንከሎ፤ ብዛዕባ እቲ ቤት ምኽሪ ትግራይ ዘሕለፎ ውሳነ ከምዝሰምዑ እንተኾነ ግና ጌና ከምዘይተመያየጥሉ ገሊጾም። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ዝኾነ ጳጳሳትን መራሕቲ ሃይማኖትን ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ናይ ርእሶም ጠቕላይ ቤተ ክህነት ከም ዘጣየሹ ክልላዊ ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐን እየን። እቶም ኣብ ክልላዊ ቴሌቪዥን ዝቐረቡ መራሕቲ ሃይማኖት \"ጠቕላይ ቤተ ክህነት ኢትዮጵያ ነቲ ኲናት ደጊፉን፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት እምነትን ኣመንትን መጥቃዕቲ እንትበጽሕ ትም ኢሎም\" ክብሉ ክሲሶም። ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሓጂ መሓመድ ካሕሳይ \"ጠቕላሊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ካብ ሃይማኖታዊ ስርዓት ወጻኢ ዝኾነ መገዲ ተኸቲሉ'ዩ\" ብምባል እቲ ኣብ ሞንጎ ዝነበረ ርክብ ክቋረጽ ከም ዝወሰኑ ተዛሪቡ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ዝተወልዐ ኲናት ኣብ ኣክሱም ሓዊሱ ኣብ መብዛሕትኦም ከባቢታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኣብያተ እምነትን ቅርስታቶምን ዝምታን ዕንወትን ክፍጸም እንከሎ ኣቕሽሽቲ፣ ዲያቆናትን መዘምራንን ዝርከቡዎም ኣመንቲ ተቐቲሎም'ዮም። ፕሮግራም ወጻኢ ኤውሮጳ ምስ ኣፍሪቃ ብምትሕብባር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2021 ዘውጽኦ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ \"ወተሃደራት ኤርትራ ናብቲ ብ6 ክፍለ ዘመን ዝተመስረተ ገዳም ደብረዳሞ ብምድያብ ጥንታዊ ናይ ኢድ ጽሑፋትን ሃብትታትን ዘሚቶም\" ክብል እንከሎ ኣብ ውቕሮ ንዝርከብ መስጂድ ኣል ነጃሺ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ቦታታት'ውን ብርክት ዝበሉ ኣብያተ እምነት ዕንወት በጺሑዎም ኢሉ። ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ወርሒ ጥሪ'ውን፡ በዓል መዚ መጽናዕትን ሓለዋን ቅርስታት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ ካብ ውቕሮ ናብ ዓዲ ግራት ኣብ ዝወስድ ከባቢ ፍሉሽ ስሙ ነጋሽ ዝርከብ ጥንታዊ መስጂድ ኣል ነጃሺ ከምኡ'ውን ቤተክርስትያን ኣማኑኤል ጉድኣት ከም ዝበጽሖም ኣረጋጊጹ'ዩ። እቲ ልዕሊ 15 ኣዋርሕ ዘቑጸረ ኲናት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ድሕሪ ምልሓሙ ኣብ ናይ እምነት ትካላት ዕንወት ክበጽሕ ተራእዩ'ዩ። በቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐን ዝቕጽል ዘሎን ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ትሸዓተ ሚልዮን ሰባት ናይ መግቢ ሓገዝ ከም ዘድልዮም እቲ ትካል ገሊጹ'ሎ። ነቶም ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዝዋግኡ ዘለዉ ተጻባእቲ ሓይልታት ናብ ድርድር ንምምጻእ ዝዓለመ ዓለምለኻዊ ጻዕሪታት ይካየድ ምህላዉ ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ምብጻሕ ዘካየደት ምኽትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣሚና መሓመድ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ክካየድ ዝጀመረ ልዝብ ይቕጽል ከም ዘሎ ብምገላጽ \"ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዝሓሸ ደረጃ በጺሕና ኢና\" ብምባል ዘለዋ ኣአንፊታ ነይራ።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60385195"} {"headline":"ዒራቅ፡ ኣብ ናይ ዒድ ዕዳጋ ብዝተፈነወ መጥቃዕቲ ቦምባ 25 ሰባት ተቐቲሎም","content":"ኣብ ዒራቕ ኣብ ናይ ሓደ ናይ ዒድ ቅሉዕ ዕዳጋ ብዝተፈነወ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ 25 ሰባት ተቐቲሎም። እቲ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ ሎሚ ሰሉስ ዝተፈጸመ ኾይኑ፡ ንበዓል ዒድ ዓረፋ ዕዳጋ ዝገብሩ ካብ ዝነበሩ ሰባት እቶም 25 ተቐቲሎም እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ከተማ ሰሜን ሳድር፡ ብዙሓት ስድራቤታት ነቲ በዓል ከኽብሩ ይሸባሸብሉ ኣብ ዝነበረ እዋን እዩ ተፈጺሙ ተባሂሉ። እዚ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሓለፉ ሽድሽተ ኣዋርሕ ካብ ዝተፈነዉ መጥቃዕቲ ቦምባ እቲ ዝዓበየ ከም ዝኾነ ዝተገልጸ ኾይኑ፡ ካልኦት ብዙሓት ሰባት'ውን ከም ዝቖሰሉን ናብ ሕክምና ከም ዝተወስዱን ጸብጻበት የመልክቱ። እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣይኤስ [ዳዕሸ] ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሞ ሓላፍነት ወሲዱ ኣሎ። ኣይኤስ፡ \"ነቲ ቦምባ ኣብ መዕጥቕኡ ኣዚሩ ተዓጢቑ ኣብቲ ዕዳጋ ዘፈንጀሮ ናትና ኣባል እዩ\" ዝብል መግለጺ ሂቡ። ኣብ 2017 መወዳእታ፡ መንግስቲ ዒራቕ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ሰዓብቲ ሱኒ 'ጂሃዲስት'፡ ዓወት ሓፊሰ ኢሉ ምንባሩ ይዝከር። እንተኾነ ሕዚ'ውን ኣብታ ሃገር ሓሓሊፉ፡ ከምዚ ዓይነታት ናይ ግበራ-ሽበራ መጥቃዕታት ክፍጸም እዩ ይስትውዓል። ኣይ ኤስ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ከተማ ሳድር ኣብ መኪና ተለጢፉ ዝተፈንጀረ ቦምባ'ውን ንሱ ከም ዝፈጸሞ ኣሚኑ ኣሎ። ሳድር ብብዝሒ ሰዓብቲ እምነት ሺዓ ሙስሊም ዝነብሩላ ከተማ ምዃና ይግለጽ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ድማ ጣርያን ኣብ ዝተባህለ ኣደባበይ ናይ 32 ሰባት ህይወት ዘስአነ መጥቃዕቲ ድማ እቲ ጉጅለ ባዕሉ ከም ዝፈጸሞ ሓቢሩ ኣሎ። ነዚ መጥቃዕቲ ምስ ኣጓነፈ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ ሙስጠፋ ኣል-ካዲሚ፡ ኣዛዚ ፌዴራል ፖሊስ እታ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመላ ከተማ፡ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ መርመራ ክካየደሉ ኣዚዙ ምንባሩ'ውን ይዝከር።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57898737"} {"headline":"ኣብ ኤርትራ ንነዊሕ እዋን ተኣሲሮም ዝጸንሑ ወንጌላውያን ኣመንቲ ተፈቲሖም","content":"ኣብ ኤርትራ ንዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝነበሩ ኣመንቲ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስትያን ከምዝተፈትሑ እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም። እቶም ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ሳምንታት ካብ ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ሓንቲ ጓል-ኣንስተይቲ እትርከቦም 7 ሰባት ብሰንኪ እምነቶም ካብ 2 ክሳብ 9 ዓመታት ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ከምዝኾኑ እቶም ምንጭታት ጠቒሶም። ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም'ውን ሓያሎ ተኸተልቲ እቲ እምነት ብተመሳሳሊ ምፍትሖም ይዝከር። ኣብ ኤርትራ ተኸተልቲ እምነት ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስትያን ዝኾኑ ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ከም ዝእሰሩን ሓሓለፎም'ውን ከም ዝፍትሑን ይግለጽ። መንግስቲ ኣብ ግንቦት 2002 ወግዓዊ ኣፍልጦ ዝሃበን እምነታት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ፡ ካቶሊክ፡ ወንጌላዊት ሉተራዊትን ሱኒ እስልምናን ኮይነን ብዙሓት ሰዓብቲ ናይተን ካልኦት ዝተኣገዳ እምነታት ኣብ ቀይዲ ከምዝርከቡ ተሓለቕቲ ይገልጹ። ሓያሎ ካብ መራሕቲ እተን ዝተኣገዳ ኣብያተ ክርስትያናት እውን ንኣስታት ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ብዘይ ዝኾነ ፍርዳዊ መስርሕ ተሰዊሪም ከምዘለዉ ጸብጻባት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የመልክቱ። ኣቕሽሽቲ ዝርከብዎም ሓያሎ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርሰትያን'ውን ኣብ ቀይዲ ከምዝርከቡ ይግለጽ። ብዘይካኦም'ውን፡ ካብ ድሕሪ ናጽነት ጀሚሩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት፡ መምሃራን 'መሐሃድ' ተባሂለን ዝፍለጣ ብሃይማኖት ምስልምና ዝማሓደራ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥ ጸብጻባት ይሕብሩ። ዳርጋ ኩሎም ክሳብ ሎሚ ወግዓዊ ክሲ ከምዘይቀረበሎምን፡ ኣብ ፍርዲ ከምዘይቀረቡን ይፍለጥ። ሕቡራት ሃገራት ዝርከብዎም ተጣበቕቲ ጉጅለታት፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ብዘይ ወግዓዊ ክስን ፍርድን ኣብ ቀይዲ ሒዝዎም ዝርከብ ናይ እምነት፡ ሕልናን ፖለቲካን እሱራት ክፈትሖም ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም። ንዝቐርበሉ ክስታት ናጽነት ሃይማኖታት ኣመልኪቱ \"ኤርትራ መሰል ናይ ሃይማኖታት እተኽብር\" ምዃና ዝገልጽ መንግስቲ ኤርትራ፡ ዛጊት ንምፍታሕ እቶም እሱራት ኣመልኪቱ ዝሃቦ ሓበሬታ የሎን። ኣብታ ሃገር ሃይማኖታዊ ስኒትን ናጽነትን ከምዘሎ ዝምጉቱ ሰብመዚ መንግስቲ፡ እተን ዝተዓጽዋ ኣብያተ-ክርስትያናት መሳርሒ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ይኾና ነይረን ክብሉ ይስምዑ'ዮም። እንተኾነ ግን ብወግዒ ዘቕረብዎ ጭብጢ ይኹን ክሲ ዛጊት የለን። ኣብ 2002 መንግስቲ ኤርትራ ብዘይካ እተን ፍሉጣት ዝኾና ኣርባዕተ ሃይማኖት ካልኦት ጉጅለታት ሃይማኖት ኣታዊታተንን ወጻኢታተንን ከምኡ'ውን ዝርዝር ኣስማት ናይ ኣባላተን ብምቕራብ ክምዝገባ ዝጠልብ ትእዛዝ ድሕሪ ምሕላፍ ከም ዝኣገደን ጸብጻብ ኮሚሽን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዛዕባ ዓለም-ለኻዊ ሃይማኖታዊ ናጽነት (USCIRF) ይገልጽ።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59342803"} {"headline":"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ እዋን ሶላት ዒድ ብዝተልዓለ ናዕቢ ኣብ ልዕሊ ንብረት ጉድኣት በጺሑ","content":"ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ 24 ሚያዚያ 2014 ዓ.ም ኣብ ሶላት ዒድ ብዝተፈጥረ ዕግርግር ኣብ ልዕሊ ንብረት ጉድኣት ከም ዝበጽሐ ኣፍሊጡ። ስግዳን ሶላት ዒድ ከይተፈጸመ እንከሎ ኣብ ከባቢ ቤተ መዘክር ሰማእታት ቀይሕ ራዕዲ፡ \"ውሑዳት ውልቀሰባት ብዘልዓሉዎ ዕግርግር ኣብ ልዕሊ ንብረት ጉድኣት በጺሑ\" ክብል ገሊጹ። ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብቐጥታ ዝተመሓላለፉ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ እምኒ ዝድርብዩ ዝነበሩ ውልቀሰባት መንብዒ ጋዝ ክትኩስ የርእዩ። እቶም ምስልታት ብተወሳኺ ነቶም ናብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታን ህንጻታትን እምኒ ንዝድርብዩ ዝነበሩ ጠጠው ንምባል ዝከላኸሉ ዝነበሩ ሰባት የርእዩ። በዚ ኣብ ጥቓ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ዘጋጠመ ክስተት ኣብ ልዕሊ ሰባት ብዛዕባ ዝበጽሐ ጉድኣት ግን ፖሊስ ዝሃቦ ሓበሬታ የለን። እቲ ኣብ ሞንጎ ንሶላት ዝወጽኡ ሰባትን ሓይልታት ጸጥታን ዝተፈጥረ ግጭት መበጊሱ ክሳብ ሕጂ ግልጺ እኳ እንተዘይኮነ፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰባት ግን ቅድም ኢሉ ብኣንፈት ደቂ ኣንስትዮ ይሰግዳሉ ዝነበራ ከባቢ ድምጺ ጥይት ወይ መንብዒ ትኪ ክትኮስ ይስማዕ ከም ዝነበረ ተዛሪቦም። ኣብቶም ብቀጥታ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝመሓላለፉ ዝነበሩ ምስልታት'ውን መስትያት ናይቲ ኣብ ከባቢ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቤተ መዘክር ሰማእታት ቀይሕ ራዕዲ ብእምኒ ክረግፍ ተራእዩ። ብተወሳኺ ኣብቲ እቲ ዕግርግር ዝተፈጥረሉ ቦታ ዝተተኸሉ ዕምበባታት ዓንዮም ኣለው። ቢቢሲ ዘዘራረቦን ምስ ኣባላት ስድርኡ ንክሰግድ ናብ ስታድየም ዝኸደን መሓመድ በቲ ዝተፈጥረ ዕግርግር እቲ ስነ ስርዓት ከይተዛዘመ ምእመናን ከም ዝተበተኑ ሓቢሩ። ኣብቲ ስነ ስርዓት ስግዳን ብዙሕ ህዝቢ ከም ዝነበረ ዝዛረብ መሓመድ፡ \"ኣነን ቤተሰበይን ብሸነኽ ጨርቆስ ጠጠው ኢልና ነይርና\" ይብል። ስግዳን ቅድሚ ምጅማሩ \"ጸገም ክፍጠር ስለ ዝኽእል ተጠንቂቕኹም ስገዱ\" ዝብል ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ብምትሕልላፍ ስግዳን ከም ዝተጀመረ ገሊጹ። ይኹን'ምበር፡ እቶም ኣመንቲ ኣብ ስግዳን እናሃለው ድምጺ ጥይት ይኹን መንብዒ ትኪ ምዃኑ ብግልጺ ዘይተፈልጠ ድምጺ ብኣንፈት መስቀል ኣደባባይ ብተደጋጋሚ ይስማዕ ከም ዝነበረ ይዛረብ። \"ብኣንፈት እቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝሰግዳሉ ከባቢ ዕግርግርን ህድማን ርኢና። ሶላት ኣቋሪጾም ዝወጽኡ ብዙሓት ሰባት ነይሮም። ንሕና'ውን ቆልዑ ስለ ዝሓዝና ምጽቕጥቓጥ ከይህሉ ብዝብል ሶላት ከይተወድአ ወጺእና\" ኢሉ። ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ሕጂ እቲ ምእመን \"ተረጋጊኡ ናብ ዝመጽኣሉ ይምለስ ኣሎ\" ክብል እንከሎ ምኽንያት እቲ ዕግርግር እዮም ዝበሎም ንህዝቢ ከም ዘፍልጥ ሓቢሩ። ኣብዚ ጉዳይ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ፖሊስ ፌደራልን ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን። ኣብ መጀመርታ ናይቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ጎንደር ሃይማኖታዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ጎንጺ ተላዒሉ ብዙሓት ሰባት ብምሟቶም ኣብ ተኸተልቲ እምነተት እስልምና ቁጥዐ ፈጢሩ ምንባሩ ይዝከር። ኣብታ ከተማ ብውሑድ 20 ሰባት ከም ዝሞቱ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ'ዩ። ድሕሪኡ'ውን እንተኾነ ኣብ ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለየዩ ትካላት እምነት ዕንወት በጺሑ።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61290773"} {"headline":"እስልምና፡ ዒድ እንታይ'ዩ? መዓስ'ከ ይኽበር?","content":"ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣብ ዓለም ዘለው ተኸተልቲ እምነት እስልምና፡ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ በዓል ዒድ ኣልፈጥር ከኽብሩ'ዮም። ዒድ፡ ኣስላም ብዝለዓለ ድምቀት ካብ ዘብዕሉዎም ሃይማኖታዊ በዓላት ሓደ'ዩ። ናይ ጾምን ጸሎትን ወርሒ ዝኾነ ረመዳን ክውዳእ እንከሎ፡ ዒድ ይኽበር። \"ዒድ ኣልፈጥር\" ጾም ምፍታሕ ዝብል ትርጉም ኣለዎ። ልክዕ ከምቲ ረመዳን ክጅመር እንከሎ ዘሎ ስርዓት፡ ዒድ ንክብዓል'ውን መጀመርታ ሓዳሽ ወርሒ ክትርአ ኣለዋ። ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ብዙሓት እስላም ኣብ መሳጊዶም ዝካየድ ስነ ስርዓት ጸሎት ዒድ ክሳተፉ'ዮም። ኣብዚ ዕለት፡ ሓድሽ ክዳን ተኸዲንካ ናብ መስጊድ ምኻድ ልሙድ ኮይኑ፡ ከም ተምሪ ዝበሉ ጣዕሚ ዘለዎም መግቢታት ምብላዕ፣ ጸሎት ምግባር ከኣ ይዝውተር። ቅድሚ'ቲ ናይ ዒድ ጸሎት፡ እስላም ንድኻታት ንምሕጋዝ 'ዘካ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ሓገዝ ገንዘብ የዋጽኡ። ብዙሓት እስላም ከኣ፡ ምስ መሓዙትካን ቤተሰብካን እክብ ኢልካ ምብላዕ፣ ገንዘብን ውህብቶን ምልውዋጥ ይፈትው። ኣብ ብዙሓት እስላም ሃገራት ከኣ፡ በዓል ዒድ ኣልፈጥር ህዝባዊ በዓል'ዩ። ኣብ በዓል ዒድ ንሓደ ሰብ ሰናይ ተምኒት ክትገልጽሉ እንተደሊኹም፡ \"ዒድ ሙባረክ\" በሉዎ። ረመዳን፡ ናይ ዓረብ ቃል ኮይኑ መጸውዒ ናይታ ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕ ሃይማኖት እስልምና ዘላ ታሸዐይቲ ወርሒ'ዩ። እታ ዝተቐደሰት እስላማዊት ወርሒ ተገይራ ኸኣ ትውሰድ። ሓንቲ ካብቶም ሓሙሽተ ዓንድታት እስላም'ውን እያ። ተኸተልቲ እስልምና፡ ፈጣሪ ዝኣዘዞም ሓሙሽተ መትከላት ኣለው ኢሎም ይኣምኑ። እዚኦም፥ ብኻልእ ወገን፡ እስላም ነብዪ መሓመድ ቅዱስ ቁርዓን ኣብዚ ወርሒ'ዩ ተገሊጽሉ ኢሎም'ውን ይኣምኑ። ካብዚ ብዝብገስ፡ ኣብዚ ወርሒ ቁርዓን ብብዝሒ ይንበብ። ጾም ከኣ፡ መግለጺ ኣምልኾን ምስጋናን ተገይሩ ስለ ዝውሰድ፡ ኣብዚ ወርሒ ብዝህሉ ናይ ጾም መዓልታት ናብ ፈጣሪኦም ቀሪቦም መንፈሳዊ ጥዕናን ስርዓትን ከም ዘጠናኽሩ ይኣምኑ። እቲ ስርዓት እንታይ ይመስል? ተኸተልቲ እምነት እስልምና፡ ኣብ እዋን ጾም ረመዳን ወጋሕታ ቅድሚ ምዃኑ 'ስሑር' ወይ 'ሰህሪ' ኢሎም ዝጽውዑዎ ናይ ወጋሕታ ሰነ ስርዓት መግቢ ኣለዎም። ኣጋ ምሸት ከኣ ጾም ይፈትሑ፤ እዚ 'ኢፍጣር' ይብሃል። ረመዳን፡ እስላም ስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ዘዘውትርሉ፣ ምስ ፈጣሪኦም ዘለዎም ዝምድና ዘጠናኽርሉ፣ ትዕግስትን ልግስን ዘርእይሉ ወርሒ'ዩ ተባሂሉ'ውን ይእመን። ኣብዚ ወርሒ፡ ኣመንቲ 'ታራዌህ' ኢሎም ዝጽውዑዎ ተወሳኺ ናይ ለይቲ ስነ ስርዓት ጸለቶም ንምብጻሕ ናብ መስጊድ ይኸዱ። እዚ ኣብ ወርሒ ረመዳን ጥራሕ ዝካየድ እዩ። እዚ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝርአ ንነጀው ዝኽበር ዘሎ ሳልሳይ ረመዳን እዩ። ቅድም ኢሉ ብምኽንያት ዝርግሐ እዚ ቫይረስ፡ ብዙሓት ኣመንቲ እስልምና ዓለም ኣብዚ ቅዱስ ወርሒ ዘዘውትሩዎም ዝነበሩ ልማዳዊ ፍጻሜታት ክቕይሩ ተገዲዶም ጸኒሖም። መኣዲ ኢፍጣር፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ መሓዙትካን ኣባላት ስድራኻን ዝቐርብ እዩ። ብምኽንያት ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምቁጽጻር ዝተወስዱ ስጉምታት ዕጽዋን ኣካላዊ ርሕቐትን ግን ከምዚኦም ዝበሉ ምትእኽኻባት ክተርፉ ገይሮም ነይሮም። ብዙሓት ብኣካል ክራኸቡ ዘይክኣሉ ድማ፡ ብከም 'ዙም' ዝበሉ ናይ መራኸቢ መገዲታት ክራኸቡን ሃይማኖታዊ ስርዓታት ክፍጽሙን ተራእዮም። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ተዓጽዮም ዝነበሩ መሳጊድ ስነ ስርዓት ጸሎት ከካይዱ ተፈቒዱሎም ኣሎ። መቑጸሪ ዘመን [ካላንደር] እስላም፡ ሉናር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣቆጻጽራ 12 ኣዋርሕ ዝኽተል ኮይኑ፡ ታሽዐይቲ ወርሒ ረመዳን እያ። መእተዊት ናይታ ዓሽረይቲ ወርሒ [ሻዋል] ከኣ ዒድ ይብዓለላ። ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብዑደት ወርሒ ዝግዛእ ኮይኑ፡ ክሳብ 20 ወይ 30 መዓልታት ይጸንሕ። ጸገም ጥዕና ካብ ዘለዎ ሰብ ወጻእ ከኣ ኩሉ ኣማኒ ጾመ ረመዳን ክጸውም ግድን'ዩ። እቶም ዘይጾሙ፥ ዒድ ኣልኣድሃ ድማ፡ እስላም ናብ መካ ዝገብሩዎ ንግደት ሓጅ ስዒቡ ዝኽበር በዓል'ዩ።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57072090"} {"headline":"ረመዳን፡ ኣብ ጀርመን ኣስላም ኣብ ቤተክርስትያን ክሰግዱ ተፈቒድሎም","content":"ኣብ በርሊን እትርከብ ሓንቲ ቤተክርስትያን፡ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ተግባራዊ ብዘሎ ድንጋገ ምፍንታት: መስጊዶም ንዝጸበቦም ኣስላም ደጌታታ ከም ዘርሓወት ተገሊጹ። ጀርመን ካብ 4 ግንቦት ጀሚራ: ሃይማኖታዊ ኣገልግሎታት ደግም ክቕጽሉ እኳ እንተ ኣፍቀደት ናይ 1.5 ሜትሮ ምፍንታት ክህሉ ግና ትጠልብ። በዚ ድማ፡ መስጊድ ዳር ኣሳላም ካብ ምእመናኑ ንሒደት ጥራሕ እዩ ከአንግድ ክኢሉ። ቤተክርስትያን ማርታ ሉተራን ግና ነቲ ብዓርቢ ዝተኻየደ ናይ ረመዳን መዛዘሚ ስግዳን ኣፍደጌታቱ ክፉት ጌሩ። ኣብ ወርሒ ረመዳን፡ ኣስላም ካብ ጊሓት ክሳብ ዕራርቦ፡ ካብ መግቢ፡ መስተ፡ ሽጋራን ጾታዊ ርክብን ይኽልከሉ። ኣብ ንቡር ኩነታት ስድራቤትን ኣዕሩኽን ተኣኪቦም የፍጥሩን (ጾም ይስዕሩ) ይሰግዱን። ኣብዚ እዋን ግና ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ፍልይ ዝበለ እዩ። ኢማም ናይቲ መስጊድ፡ ንማእከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ \"ኣብ እዋን ረመዳንን እዚ ቅልውላውን፡ ሓጎስ ዝፈጥር ጽቡቕ ምልክት እዩ፤ እዚ ለበዳ ኣሕቢሩና ኣሎ\" ኢሉ። ሳመር ሓምዱን ብወገኑ፡ ነቲ ተሞክሮ ምስ ልሙድ ናይ መስጊድ ብምንጽጻር \"እቲ መሳርሒታት ሙዚቃ፡ ስእልታት ፍሉይ ስምዒት እዩ ዝፈጥር\" ኢሉ። ኣብቲ ኣገልግሎት: ኣገልገልቲ እቲ ቤተክርስትያን'ውን ከም ዝተሳተፉ ተገሊጹ።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52781583"} {"headline":"ሮመዳን፡ ጾም ኣብ ግዜ ለበዳ ኮሮናቫይረስ","content":"ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ኣመንቲ እስልምና \"ንቅዱስ ወርሒ\" ሮመዳን ኣብ ዕጽው ማዕጾ የብዕሉ ኣለዉ። ዓመት መጸ ኣመንቲ ምስልምና ንሓደ ምሉእ ወርሒ ማለት ን 29 ወይ 30 መዓልታት ካብ ወጋሕታ ክሳብ ዕራርቦ ንነብሶም ኣብ ኣስተንትኖ፡ ጸሎትን ጾምን ዝጸምድሉ ወርሒ እዩ። እዚ ጾም እዚ ንኹሎም ዕድሚኦም ዝኣኸለ ኣመንቲ ናይ ምስልምና ከይበልዑን ከይሰተዩን ክንቀሳቐሱ ንዝኽእሉ ሰብ ምሉእ ጥዕና ግዴታ እዩ። ኣብዚ ግዜ ለበዳ ግን ገለ ገለ ፍታሕ ይግበር ኣሎ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ሱሰክስ ከም ስነ-ብየና ዝሰርሕ ዶክተር ጀንና ማቺዮቺ፡ ነዚ ለበዳ እዚ ምቅላስ ኣዝዩ ኣድካሚ እዩ ይብል። ንነዊሕ ግዜ ከይበላዕካን ከይሰተኻን ምጽናሕ ነቲ ስርዓተ ምክልኻል ኣካላትና የድክሞ እዩ። ስለዚ ኣብቲ መግቢ ክትበልዕ ዝፍቀደሉ ግዜ እኹል ካሎሪስ ዘለዎም ዓይነት መግቢ ማለት ግዙፋት መኣዛታት ዝሓዙ ከም ካርቦሃይድረትስ፡ ፕሮቲንን ስብሕን፥ ንኡስ መኣዛታት ዘለዎም ከኣ ከም ቪታሚን ሲ ን ሓጺንን ዝኣመሰሉ መግብታት ክውሰድ ኣለዎም። ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ዓይነት መግብታት ከም ኣሕምልትን፡ ፍረታትን፡ ጥረ ምረን፡ ኣእካልን ምምጋብ እውን ኣዝዩ ኣገድሲ እዩ። ብመሰረት ዶክተር ማችዮቺ፡ ክልቲኡ ልዕሊ ዓቀንን ትሕቲ ዓቀንን ምምጋብ ነቲ ስርዓተ ምክልኻል ስለዝጸልዎ፡ ዝተመጣጠነ ዓይነት መግቢ ክንምገብ ይግባእ። ኣካላትና ፈሳሲ ናይ ምውዳእ ሓደጋ ስለዘለዎ ከኣ ነቲ ኣብ መተሓላለፊ ትንፋስ ጠቢቁ ከም መከላኸሊ ንጥቀመሉ ምራቕ ክጸልዎ ይኽእል። ካልእ ካብዚ ፍልይ ብዝበለ፡ እኹል ናይ ድቃስ ዕረፍቲ ምውሳድ፡ ስሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቃስ ምግባርን ጭንቀት ምውጋድን እውን ነቲ ስርዓት ምክልኻል ኣካላትና ብግቡእ ንኽሰርሕ ሓጋዚ'ዩ። ብሕጽር ዝበለ፡ እቲ ዝበለጸ ንጥዕናኻ እትከላኸለሉ ግን ንውብስካ ናብቲ ቫይረስ ከይትቃላዕ ምጥንቃቕ እዩ። መብዛሕትኡ እቲ ሓደጋ ኸኣ ኣእዳውካ ብምሕጻብን ኣብ ገዛኻ ብምጽናሕን ክውገድ ይከኣል'ዩ። እቶም ድሮ ናይ ጥዕና ጸገማት ዘለዎም ሰባት'ከ እንታይ ክገብሩ ኣለዎም? ዝኾነ ዓይነት ሕማም ከምኡ እውን በዚ ሕማም ኮቪድ-19 ዝሳቀዩ ሰባት ግን ካብ ጾም ነጻ እዮም። ከምኡ እውን እቶም ሕዱር ሕማማት ከም በዓል ሕማም ሽኮርያን ዘለዎም ሰባት ክጾሙ ኣይግደዱን እዮም። ናይ ዓባይ ብርጣንያ ላዕለዋይ ሓላፊ ክንክን ሽኮርያ ዳንኤል ሆዋርዝ ከም ዝበሎ፡ እቲ ናይ ጾም ውሳነ ኣብቲ ውልቀ ሰብ ዝምርኮስ እኳ እንተኾነ፡ እቶም ነዚ ዓይነት ሕማም ብግብእ ተቆጻጺሮም ክጾሙ ዝደልዩ ሰባት ግን፡ ቀልጢፎም ዘይሃልኩ ካርቦሃይድረትስ ከም በዓል ብኣእካል ዝተሰርሐ ቡናዊ ባኒ ወይ ቅጫ፡ ቡናዊ ሩዝን እናተመገቡ፡ ቀጻሊ ዝኾነ መርመራ ናይ ደሞም ሽኮር ክገብሩ ኣለዎም ይብል። ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕናኸ ክጾሙ ይግደዱ ድዮም? ቤት ምኽሪ እስላም ዓባይ ብሪጣንያ፡ \"ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ንሕሙማት ኮቪድ-19 ይከናኸኑ ስለዘለዉ፡ ኣብ ሓደጋ ናይ ጽምኣት ኣካላት፡ ብሰንኪ ዝወድይዎም መሸፈኒታት ኣካላትን፡ ብዝሒ ምስ ሕሙማት ዝሰርሕዎም ሰዓታትን ሕክምናዊ ጌጋታት ኣብ ምፍጻም ዝተቃልዑ ስለዝኾኑ፡ ካብ ጾም ነጻ እዮም\" ኢሉ። ጾም ንጥዕናኻ ጽቡቕ'ዶ ይኸውን? ሽሕ'ኳ መዓልታዊ እኹል ካሎሪ ዘይምውሳድ ንስርዓተ ምክልኻል ኣካላትና ይንክዮ እንተኾነ፡ ጾም ኣብ ስርዓተ ምክልኻል ኣካላት ዘምጽኦ ጽልዋ ግን ግሉጽ ኣይኮነን። ስርዓተ ምክልኻልሲ ሓደ ውልዕ ጥፍእ ዝብል ነገር ኣይኮነን። ስርዓተ ምክልኻል ሓደ ክመጣጠን ዘለዎ፡ ዝተጠናነገ መስርሕ ስርዓተ ኣካላትና እዩ። ጾም ነቲ 'ኮርቲሶል' ዝተባሃለ ናይ ጭንቀት ሆርሞን ብምልቃቅ፡ ንገለ ገል ግብረ መልሲ ናይ ስርዓተ ምክልኻል ይጸቅጦም። ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ኣንጭዋ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘረጋግጾ፡ ከምዚ ዝተወሰነ ግዜ ተጸይሙ ዝቋረጽ ናይ ጾመ ሮሞዳን፡ ነቶም ዝኣረጉ ዋህዮታት ብምቅታል፡ ብሓደሽቲ ዋህዮታት ናይ ምትካእ መስርሕ ኣካላትና ከቀላጥፍ ይኽእል። እንተ ኾነ ግን እዚ መርትዖ እዚ ኣብ ኩሎም ደቂ ሰባት ምሉእ ብምሉእ ይሰርሕ ኢልካ ኣፍካ መሊካ ክትዛረበሉ ኣጸጋሚ እዩ። እዚ ተግባራዊ ክኸውን ከኣ ንኽንደይ ዝኸውን መዓልታት ክትጸውም ከም ዘለካ እውን ንጹር ኣይኮነን።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/52419143"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ጸመ ረመዳን ዝርከቡ ሙስሊም ኣብ እዋን ጾም ክታበት ክወስዱ ይኽእሉዶ?","content":"መራሕቲ ሃይማኖትን እስልምናን ሰብ ሞያ ጥዕናን ኣብ ጾም ረመዳን ዝርከቡ ኣመንቲ እስልምና ብሰንኪ እቲ ጾም ካብ ክታበት ኮሮናቫይረስ ከይቦኽሩ ዘለዎም ስግኣት ገሊጾም። ኣብ ጾመ ረመዳን፡ ኣመንቲ ጽሓይ ካብ ትበርቅ ክሳብ ትዓርብ ዝኾነ ዓይነት ፈሳስን መግብን ክወስዱ እምነቶም ኣየፍቅድን እዩ። ኣብ ከተማ ሊድስ ኢማም ዝኾነ ቃሪ ኣሲም እቲ ክታበት ኣብ ምናት ዝውሃብ ስለ ዝኾነን ዝኾነ ዓይነት ትሕዝቶ ናይ መግብን መጥለሊ ፈሳስን ስለ ዘይብሉ ንጾም ከስዕር ከም ዘይክል እዩ ዝዛረብ። \"ዝበዝሑ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ኣብ እዋን ጾመ ረመዳን ምኽታብ ንጾም ከም ምስዓር'ዮም ዝወስድዎ\" ክብል ኣባል ቦርድ መሳጊድን ኢማማትን ዝኾነ ኢማም ቃሪ ኣሲም ንቢቢሲ ሓቢሩ። ኣብ ምብራቕ ለንደን ዝሰርሕ ዶክተር ፋርዛና ሑሱን'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ እዋን ጾም ረመዳን ዝርከቡ እስላም ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክኽተቡ ከም ዝኽእሉን እቲ ክታበት ምስ ምስዓር ጾም ዘተኣሳስር ከም ዘይብሉ እዩ ዝመክር። ዶክተር ፋርዛና ሑሱን \"ብዙሓት ሙስሊም ኣብ እዋን ጾም ረመዳን ክታበት ኮቪድ 19 ምውሳድ ንኽእል'ዶ ኢሎም ክካትዑን ከተሓሳስቦምን ይርኣዩ እዮም\" ይብል። ብምስዓብ \"ብዙሓት ኣብ እዋን ጾም፡ መርፍእ ምውጋእ ከም ምስዓር እዮም ዝሓስብዎ፤ እንተኾነ እዚ ሓቂ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ክታበት ዝኾነ ካብ ጥምየት ዘዐግስ ወይ ካብ ጽምኢ ዘጥልል ትሕዝቶ የብሉን\" ኢሉ። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከባ ብዙሓት መሳጊድ፡ ኣመንቲ ኣብ እዋን ጾመ ረመዳን'ውን ክታበት ንኽክተቡ ንምትብባዕ ኣብ ቀጽሪ እተን መሳጊድ ክታበት ከም ዝወሃብ ገይረን ኣለዋ። ክታበት ኣብ ቀጽሪ መሳጊድ ክወሃብ ምስ ጀመረ፡ ብዙሓት ኣመንቲ ኣርኣእይኦም ክቕየር ተራእዩ'ዩ። ኦፕሶስ ሞሪ ዝተባህለ ሰነዳት ዝእክብ ትካል፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቡ ጸዓዱ ዘይኮኑ ብሪጣንያውያን ኣብ ክታበት ዝነበሮም እምነት ኣብ ወርሒ ጥሪ 77 ሚኢታዊት ዝነበረ ሕጂ ግን ናብ 92 ሚኢታዊት ክብ ከም ዝበለ ይሕብር። ኣብ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ዓቢ ቦታ ዘለዎ ጾመ ረመዳን፡ ወርሒ ምስ ተቐልቀለት ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ እዩ ጀሚሩ። ኣብ እዋን ጾመ ረመዳን ኣመንቲ ካብ ንግሆ ክሳብ ምሸት ጸሞም ድሕሪ ምውዓል ምሸት ጽሓይ ምስ ዓረበት፡ ቤተ-ሰብን ጎረባብትን ተኣኻኺቦም'ዮም ናይ መግብን ፈሳስን ትሕዝቶ ይቋደሱ። ሕጂ ግን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኩነታት ተቐያይሩ እዩ። ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ዋላ'ኳ ኣመንቲ ኣብ መስጊድ ክእከቡ ዝፍቐዶም እንተኾነ፡ ኣካላዊ ምርሕሓቕ ክገብሩ ግን ይግደዱ'ዮም።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56791819"} {"headline":"ፈረንሳ: ሓንቲ ተምሃሪት ነቲ ተሰይፉ ዝተቐትለ ፈረንሳዊ መምህር ብሓሶት ከምዝጠቀነቶ ተኣሚና","content":"ሓንቲ ፈረንሳዊት ተምሃሪት፡ ንሓደ መምህር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተሰይፉ ቅድሚ ምቕታሉ ብሓሶት ከምዝጠቀነቶ ተኣሚና። መምህር ሳሙኤል ፓቲ፡ ናይ ካርቱን ምስሊ ነቢ መሓመድ ንተምሃሮኡ ድሕሪ ምርኣዩ'ዩ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ተሰይፉ። እታ፡ ብዛዕባ'ቲ ምስሊ ኣብ መርበባት ኢንተርነት ኣንጻር እቲ መምህር ተቓውሞታት ክካየድ ዝገበረት ተምሃሪት፡ ኣብቲ ዝምህረሉ ዝነበረ ክፍሊ ከምዘይነበረት ተኣሚና። ዘስካሕክሕ ቅትለት ናይቲ መምህር፡ ንፈረንሳ ዘሰንበደን፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ዘለዓዓለን'ዩ ነይሩ። ንኽብሩ ኣብ ዝተኻየዱ ናይ ዝኽሪ ኣጋጣሚታት'ውን ሰፊሕ ደገፍ ረኺቡ ነይሩ። እታ ስማ ዘይተገልጸ ጓል 13 ዓመት፡ እቲ መምህር ነቲ ናይ ነቢ መሓመድ ካርቱን ቅድሚ ምርኣዩ፡ ኣስላም ዝኾኑ ተምሃሮ ካብቲ ክፍሊ ኣውጺእዎም ክትብል ንኣቦኣ ነጊራ። እቲ ትምህርቲ ብዛዕባ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት እዩ ነይሩ። ብመሰረት ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ዝራኣዮ ቃለ-ምስክርነት ናይታ ጓል፡ \"ነቲ ናይ ካርቱን ምስሊ ኣይራኣኹዎን፡ ጓል ክፍለይ'ያ ኣርእያትኒ\" ኢላ። \"መማህርታ ኣፈኛ ክትከውን ስለዝሓተትኣ፡ ተቐርቂራ ሓስያ\" ክብል'ውን ጠበቓኣ፡ ምበኮ ታቡላ ንኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ተዛሪቡ። ኣቦ እታ ጓል፡ በቲ ዝሃበቶ ሓበሬታ መሰረት፡ ኣንጻር እቲ መምህር ሕጋዊ ክሲ ድሕሪ ምምስራት፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጎስጓስ ጀሚሩ። ኣብቲ ዘካየዶ ጎስጓስ፡ ንመምህር ሳሙኤል ፓቲን ነቲ ዝምህረሉ ዝነበረ ኣብ ምዕራብ ርእሰከተማ ፓሪስ ዝርከብ ቤት ትምህርትን ብስም ጠቒሱዎም ነይሩ። ኣኽበርቲ ሕጊ ፈረንሳ፡ ድሕሪ'ቲ ቅትለት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣንጻር እቲ መምህር ዝካየድ ዝነበረ ጎስጓስ፡ ምስ ቅትለቱ ቀጥታዊ ምትእስሳር ኣለዎ ኢሎም ነይሮም። እቲ ነቲ ቅትለት ዝፈጸመ ወዲ 18 ዓመት ዓብዱላኪን ኣንዞሮቭ፡ ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ ብፖሊስ ከምዝተቐትለ ይዝከር። ብድሕሪ'ኡ ግን፡ እቲ ኣንጻር መምህር ታሪኽን ጆኦግራፊን ዝነበረ ፓቲ፡ ዝተኻየደ ጎስጓስ ኣብ ዝተጠምዘዘ ሓቅታት ናይ ኣቐዲሙ ዝነበረ ፍጻመ ዝተመስረተ ምዃኑ ተፈሊጡ። መምህር ፓቲ፡ ከምቲ ንዓመታት ዝገብሮ ዝነበረ፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ኣብ ዘምህረሉ ዝነበረ መዓልቲ፡ ቅድሚ ነቲ ምስሊ ንተምሃሮኡ ምርኣዩ፡ እቶም ክርእይዎ ባህ ዘይብሎም ተምሃሮ ዓይኖም ክዕምቱ ኣጠንቂቕዎም ነይሩ። እታ ተምሃሪት ግን፡ ክወጹ ከምዝሓቶቶም'ያ ገሊጻ ነይራ። ምስ ተቓወመት ካብ ቤት ትምህርቲ ከምዝተሰጎገት ከኣ ተዛሪባ። እንተኾነ ግን፡ ሕጂ ከምዝተረጋገጸ፡ ንሳ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ'ያ፡ ብሰንቲ ብዝሒ ብኩራት ተሰጒጓ ነይራ። ኣብቲ ብምስጢር ዝወጸ ቃለ-ምስከርነታ ግን፡ ነቦኣ ከይተሕርቕ ክትብል ዘይኮነ ምኽንያት ከምዝመሃዘት ትገልጽ። ጠበቓ ቤተሰብ ናይቲ መምህር ንሓደ መደበር ራድዮ ፈረንሳ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ስድራቤት ናይታ ጓል ኣብታ መዓልቲ ኣብ ክፍሊ ከምዘይነበረትን ስለምንታይ ከምዝተሰጎትን ይፈልጡ ነይሮም'ዮም ክብል ተዛሪባ። \"ሕጂ፡ ይቕሬታ፡ ሓሶታት ጓለይ ኣሚነ ነይረ ምባል ናይ ብሓቂ ድኹም'ዩ\" ክትብል ኣር-ቲ-ኤል ንዝተባህለ ራድዮ ተዛሪባ። እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ክልተ ፕሮፌሰራት ዩኒቨርሲቲ፡ ብጽልኢ እስልምና ተኸሲሶም ኣብ ዓይኒ ናዕበኛታት ብምእታዎም፡ ናይ ፖሊስ ሓለዋ ይግበረሎም ምህላዉ ተፈሊጡ። ፕረዚደንት ኢማኑዌል ማክሮን፡ ነቲ መምህር ድሕሪ ሞቱ፡ ናይታ ሃገር ዝለዓለ ኒሻን ከምዝሸለሞ ይዝከር። ኣብ እስልምና፡ ምስሊ ነቢ መሓመድ ምውጻእ ከም ነውሪ ዝቑጸርን፡ ንብዙሓት ኣመንቲ ናይቲ ሃይማኖት ዘቐይምን'ዩ። ኣቐዲሙ፡ ብሓደ ቻርሊ ኣብዶ ዝተባህለ መጽሄት ዝተሓትመ ናይ ላግጺ ምስሊ ነቢ መሓመድ፡ ጠንቂ ናይቲ 12 ሰባት ዝቐተለ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ምንባሩ ካብ ዝኽሪ እታ ሃገር ኣይሃሰሰን። ክልቲኡ መጥቃዕትታት ነቲ ፈረንሳ እትምካሓሉ \"ዓለማውነት\" (ካብ ሃይማኖት ናጻ ዝኾነ) ኣተሓሳስባ ዝተፈታተነ ኮይኑ ይርከብ።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56321198"} {"headline":"ሃግያ ሶፍያ፡ ካብ ቤት ክርስትያን ናብ መስጊድ፡ ካብ ቤተ-መዘክር ናብ መስጊድ","content":"ሎሚ ዓርቢ እቲ ናይ ስታምቡል መጀመርያ ቤት ክርስትያን፡ ድሓር መስጊድ ጸኒሑ'ውን ናብ ቤተ መዘክር ዝነበረ ህንጻ ሃግያ ሶፍያ ከም መስገድ ኮይኑ ንኣመንቲ ክፉት ክኸውን እዩ። ኣመሓዳሪ ከተማ እስታምቡል የርልክያ ብሓሙስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኩሎም ኣመንቲ ኣዝዮም’ዮም ተሓጊሶም ዘለዉ፡ ኩሉ ድማ ኣብቲ ስነስርዓት ምኽፋት ክሳተፍ ብሃንቀውታ’ዩ ዝጽበ ዘሎ” ኢሉ። እዚ 1500 ዓመት ዕድመ ዘለዎ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለማዊ ውርሻታት ዩኔስኮ ዝተመዝገበ ህንጻ ካብ 1934 ጀሚሩ እዩ ከም ቤተ መዘክር ኮይኑ ከገልግል ጸኒሑ። ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ፡ ቤት-ፍርዲ ቱርኪ፡ ቤት መዘክር ዝነበረት ሃግያ ሰፍያ፡ እቲ ቦታ መስግድ እምበር ንካልእ መዓላ ክኸውን ሕጋዊ ከምዘይኮነ ሓበሩ። ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኢርዶጋን፡ እቲ ቤተ መዝክር ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ህንጻ ካብ 24 ሓምለ ጀሚሩ ከም መስጊድ ኮይኑ ከምዘገልግል ብወግዒ ኣዊጁ። እንተኾነ፡ እቲ ውሳነ ብዓምለኻውያን መራሕቲ ሃይማኖትን ፖሎቲከኛታትን ክንቀፍ ጸኒሑ’ዩ። እቶም ኣብቲ መኽፈቲ ስነስርዓት ዝሳተፉ ክኽተልዎ ዘለዎም ሕግታት ኣመሓዳሪ ከተማ እስታምቡል የርልክያ፡ ተሳተፍቲ ካብ መልከፍቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንነብሶም ንኽከላኸሉ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ፡ ርሕቀቶም ክሕልዉን ከምዘለዉ ሓቢሩ ኣሎ። ንሱ ብምስዓብ፡ ኣብቲ ናይ ምኽፋት ስነስርዓት ሰብ ሞያ ጥዕና ብኣካል ተረኺቦም ንተግባራውነት እዚ ሕግታት ከምዝከታተሉ’ውን ጠቒሱ። ሚኒስተር ሃይማኖታዊ ጉዳያት ቱርኪ ኣሎ ኢርባስ፡ እቲ መስጊድ ኣብ ሓደ እዋን ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰባት ከእንግድ ከምዝኽል ብምሕባር፡ ኣብዚ ናይ ምኽፋት ስነስርዓት’ውን ክንድኡ ዝኣኸሉ ሰባት ክሳተፉ ትጽቢት ከምዝግበር ሓቢሩ። እቲ ቤት መዘክር ዝነበረ ህንጻ ገለ ምትዕርራያት ተገይርሉ 24 ሰዓታተት ንኣመንቲ ክፉት ከምዝኸው’ውን ሚኒስተር ሃይማኖታዊ ጉዳያት ቱርኪ ኣሎ ኢርባስ ገሊጹ ኣሎ። ኣብቲ ሎሚ ዝግብር ናይ ምኽፋት ስንስርዓት ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኢርዶጋን ክርከብ’ውን ትጽቢት ይግበር። ውሳነ ፕረዚደንት ረሲፕ ጣይብ ኢርዶጋን ንምንታይ እዩ ኣዛራራቢ ኮይኑ? ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ዓቓባውያን ኣስላም እቲ ህንጻ ናብ መስጊድ ክቅየር ንነዊሕ እዋን እዮም ክሓቱ ጸኒሖም። ንሕቶኦም ምቅባል፡ ኢድካ ምሃብ’ዩ ብምባል ድማ ብዙሓት ነቲ ሓሳብ ውዱቕ ገይረሞ ጸኒሖም። ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኢርዶጋን፡ 10 ሓምለ እቲ ህንጻ ናብ መስጊድ ከምዝቕየር ምስ ሓበረ ካብ ሓየሎ ሰባት ተቓውሞ ኣስዒብሉ። ጳጳስ ፍራንሲስ ሓደ ካብቶም ነቲ ውሳነ ዝተቓወሙ እዮም። መራሒ ምብራቓዊት ቤተ-ክርስትያን ፓትርያሪክ ባርትወሞን ብወገኑ፡ እቲ ውሳነ ንሚልዮናት ኣመንቲ ክርስትና ዝቆጥዕ እዩ ብምባል ዘለዎ ተቓዉሞ ገሊጾም። ቤት ምክሪ ናይ 350 ዓለምለካውያን ኣብያ ክርስትያን’ውን እቲ ውሳነ ብኣግኡ ደው ክብል ብምምሕጻን “ዘፈላሊ ውሳነ’ዩ” ክብል ነቂፍዎ። ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኢርዶጋን ግን ሃገሩ ልኡላዊ ውሳነ ከምዘለዋ ብምግላጽ ነቲ ውሳነ ሎሚ ተግባራዊ ይገብሮ ኣሎ። “ድሕሪ 86 ዓመታት እዚ ህንጻ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ከም መስጊድ ኮይኑ ከገልግል እዩ” ብምባል ኣብ ውሳነኡ ጸኒዑ። ንሱ ብምስዓብ እቲ መስጎድ፡ ንኣመንቲ ምስልምና፡ ኣብ ምስልምና ንዘይኣምኑን ንበጻሕቲ ሃገርን ክፉት ከምስዝኸውን’ውን ሓቢሩ ታሪኽ እቲ ህንጻ እንታይ ይመስል? ሃግያ ሶፍያ ኣብ እዋን ግዝኣት ባዛንታይን ጁስቲና ኣብ 537 ቅድሚ 1500 ዓመታት እዩ ተሃኒጹ። ኣብ 1453፡ ኦትማን ሱልጣን መሐመድ ካልኣይ ንስታምቡል (ኣብረቲ ግዜ ኮንስታንቲኖፖል እያ ትብሃል ነይራ) እታ ከም ካተድራል ናይ ኦርቶዶክስ ዝነብረ ህንጻ ሃግያ ሶፍያ፡ ዓርቢ ዓርቢ ከም መስጊድ ከገለግል ወሲኑ። መስጊድ ንኽመስል ድማ ኣብ ኣርባዕተ ኩርንዓቱ ነዊሕን ቀጢን መአዘኒ ተሰሪሕዎ፡ ንእምነት ምስልምና ዝውክል ጽሑፋት ድማ ተገይርዎ። ንዘመናት ከም መስጊድ ከገልግል ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ፡ ኣብ 1934 ናብ ቤተ መሰክር ከምዝቅየር ተገይሩ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ ቀንዲ መስሕብ በጻሕቲ ብምዃን ኣብ ዓመት ልዕሊ 3.7 ሚልዮን ባጻሕቲ ክነግድዎ ጸኒሖም።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53524022"} {"headline":"ኣብ ፓኪስታን ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ሸውዓተ ሞይቶም","content":"ኣብ ፓኪስታን ኣብ ሓደ ሃይማኖታዊ ቤተ ትምህርቲ ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ብውሑዱ ሸውዓተ ሰባት ከምዝሞቱ ፖሊስ ፓኪስታን ሓቢሩ። ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰብ መዚ ፖሊስ ፓኪስታን ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብቶም ዝሞቱ ሕጻናት ከምዝርከብዎም ስሙ ከይርቋሕ ብምጥቃስ ሓቢሩ። ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ፓኪስታን እትርከብ ከተማ ፐሽዋር ዘጋጠመ መጥቓዕቲ፡ 50 ሰባት’ውን ቀሊልን ከቢድን መውጋእቲ ከምዘጋጠሞም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ነቲ መጥቓዕቲ 'ኣነ እየ ፈጺመዮ' ብምባል ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን። ፖሊስ ብወገኑ ፈጸምቲ እቲ ናይ ቡንባ መጥቓዕቲ ንምርካብ መርመራታት ከምዝጀመረ ገሊጹ ኣሎ። ወቓር ኣዚም ዝተብሃለ ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊስ ፓኪስታን ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሓደ ሰብ ቦርሳ ሒዙ ናብቶም ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ዝወስዱ ዝነበሩ እኩባት ሰባት ከምዝኣተወን ገዲፍዎ ከምዝወጽአን ገሊጹ። ከተማ ባሽዋር ጥቃ ዶብ ኣፍጋኒስታን እትርከብ ፓኪስታናዊት ከተማ ኮይና፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት እስላማዊ ጉጅለ ጣሊባን ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ከካይዱላ ጸኒሖም እዮም። ቅደሚ ሽዱሽተ ዓመት ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርቲ መጥቃዕቲ ብምክያድ ዝበዝሑ ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 150 ሰባት ምማቶም ይዝከር።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54702006"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ እገዳታት ከፈጽም ዘይከኣለ ኣመሓዳሪ ካርቱም ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ሱዳን ዓብደላህ ሓምዶክ ንዋና ኣመሓዳሪ ከተማ ካርቱም ጀነራል ኣሕመድ ዓብዱ ካብ መዝነቱ ኣውሪዱ። እቲ ቀዳማይ ሚንስትር ነቲ ኣመሓዳሪ ካብ ስልጣኑ ክኣልዮ ዝኸኣለ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝተወሰነ ክልከላ ሃይማኖታዊ ምትእክኻብ 'ኣየፈጽምን' ኢሉ ብዝብል'ዩ። ኣመሓዳሪ ከተማ ካርቱም ጀነራል ኣሕመድ ዓብዱ ካብ ቀዳም ጀሚሩ ኣብ ኣብያተ ክርስትያንን መስጊዳትን ምትእኽኻብ ዝኽልክል መምርሒ 'ኣየፈጽምን' ከምዝበለ ይግለጽ። ብተዛማዲ ዜና ትማሊ ሓሙስ ንፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣል በሺር ብምድጋፍ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ዝወጽኡ ሰባት ፖሊስ መንብዒ ጋዝ (ትኪ) ተኲሱ። እቶም ሰልፈኛታት፡ እቲ ሕዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ናይ ስግግር መንግስቲ ኣብ ዝወስዶም ኣዝዮም ተረርቲ ዝኾኑ ስጉምትታት'ውን ተቓውሞኦም ኣስሚዖም።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/52320942"} {"headline":"ካብ ሃይማኖት ምስልምና ናብ ኣይሁድ ዝቐየረት ድምጻዊት","content":"ስነጥበባዊት ክዌይታዊት ባስማ ካብ ምስልምና ናብ ጁዲዝም (ኣይሁድነት) ብምቕያራ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዘራራቢ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። \"ኣነ ባስማ ኣልኩውየቲ ተባሂለ ብሳጓይ ዝጽዋዕ፡ ኢብቲሳም ሓሚድ እየ። እስላማዊ እምነተይ ሓዲገ ናብ ሃይማኖት ኣይሁድ ከምዝቐየርኩ ብሓበን እነግር” ክትብል ብቪድዮ መግለጺ ሂባ። ብተወሳኺ ኩነታት ደቀንስትዮ ኣብ እምነት ምስልምና ብምንቃፍ፡ ንመንግስቲ ኩውየትን ንገዛኢ ስድራ ቤት ኣል-ሳባን ከም እትቃወም ሓቢራ። ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ነቲ ቪድዮ ኣብ እተፈላለየ መድረኽ ብምዝርጋሕ፡ ኣብ ጕዳይ ናጽነት እምነት ኩዌይትን እስላማዊ ሕብረተሰብን፡ ኣብታ ሃይማኖታ ክትቅይር ዝወሰነት ድምጻዊት ዘቕረበቶ ተሪር ነቐፌታን ንዓኣ ዝድግፉን ዝቃወሙን፡ ናጽነት እምነት ኪኽበር ዝጽውዕን ብዙሕ መልሰ ግብሪ ኣለዓዒሎም ። ድሕሪ እቲ ብቪድዮ ዝተዘርገሐ መግለጺ ዜግነት ናይታ ስነ-ጥበባዊት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ። ገሊኦም እታ ድምጻዊት ዒራቓዊት እምበር ክዌይታዊት ኣይኮነትን ይብሉ። ኢብቲሳም ማህዲ፡ ዜግነት ኩዌት ክትወስድ ጽዒራ ምስላጥ ምስ ኣበያ፡ ቅድሚ ናብ ኤውሮጳ ምዃዳ ብዜግነት ኤርትራ መንበሪ ፍቓድ ረኺባ ኣብ ኩዌት ክትነብር ዝጸንሐት ስደተኛ እያ ክብል ንሓደ ናይ ጸጥታ ምንጪ ብምጥቃስ ተዛሪቡ። ባስማ ምስ ቢቢሲ ትረንዲንግ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ ካብ ኩዌታዊት ኣደ ዝተወልደት ቢዱን ምዃና ሓቢራ። ኣስዕብ ኣቢላ እውን ፡ \"ንነዊሕ ዓመታት ኩሉ ሲቪላዊ መሰላተይ ተጋሂሱ ተሳቕየን ተናዒቐን እየ። ብሰንኪ እቲ ዝወረደኒ ጸቕጢ ርእሰ ቅትለት እንተዝፍጽም ከምዚ ሕጂ ሃይማኖት ብምቕያረይ ተፈጢሩ ዘሎ ያዕያዕ ኣይምተባህለን” ኢላ።ይኹን እምበር ፡ \"ክሳዕ ሕጂ ናብ ሃይማኖት ኣይሁድ ናይ ምቕያር መስርሕ ኣይጀመረን\" በለት ። ሓደ ወርሒ ይገብር ኣብ ኩዌይት ዝነብር ሙሓመድ ኣል-ሞዓመን ዝተባህለ ጋዜጠኛ ናብ ክርስትና ከምዝቐየረ ቪድዮ ክሊፕ ምስዘርገሐ፡ ብዙሓት ትዊት ዝገብሩ ሰባት፡ እቶም ሃይማኖቶም ዝቕይሩ፡ 'ዝና' ክረኽቡ ዝደልዩ እዮም ክብሉ ከምዝኸሰሱዎም ይዝከር።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56060664"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመስጊድ ኣልነጃሺ ክጽግኖ ምዃኑ ተገሊጹ","content":"ኣብ ትግራይ ካብ ውቕሮ ናብ ዓዲ ግራት ኣብ ዝወስድ ከባቢ ፍሉሽ ስሙ ነጋሽ ዝርከብ ጥንታዊ መስጊድ ኣል ነጃሺ ከምኡ’ውን ቤተክርስትያን ኣማኑኤል ጉድኣት ከምዝበጽሖም በዓል መዚ መጽናዕትን ሓለዋን ቅርስታት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ምኽትል ዳይረክተር እቲ በዓል መዚ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ኣበባው ኣያሌው፡ ኣብ ልዕሊ መስጊድ ኣልነጃሺን ቤተክርስትያን ኣማኑኤልን ጉድኣት ከምዝበጽሐ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ’ሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ናይ ዘበናት ዕድመ ዘለዎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጥቃዕቲ ዝወረዶ፡ መስጊድን ካልእ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ መጥቃዕቲ ዝበጽሖ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያንን ጽገና ክገብረሎም ምዃኑ ተሓቢሩ። እቲ መስጊድ ደብዳብ ከም ዝበጽሖን ከም እተዘመተን፡ ኣብኡ ዝርከብ ታሪኻዊ መቓብራት'ውን ከም ዝዓነወ ጸብጻባት ይሕብሩ። ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ እስላማዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ዶክተር ጄይላን ከድር ግን ብዛዕባ’ቲ ኣብቲ መስጊድ ዝበጽሐ ጉድኣት መረዳእታ ከምዘይበጽሖምን ድሕሪ ክልተ መዓልታት ነቲ ጉዳይ ዘጻሪ ጉጅለ ወግዓዊ ከምዝግበርን ተዛሪቦም። ሓጋዚ ፕሮፌሰር ኣበባው ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መስጊድ ጉድኣት ምብጽሑ ከምዝሰምዐ ብምግላጽ፡ እቲ በዓል መዚ ናብቲ ቦታ ዝኸዱ ክልተ ጉጅለታት መጽናዕቲ ከምዘቖመ ሓቢሩ። እቶም ጉጅለታት ናብቲ ቦታ ዝኸዱሉ ምኽንያት ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ክልተ ኣብያተ እምነት ዝበጽሑ ጉድኣት መጠኖም ብምጽራይ ንጽገና ዝኸውን መረዳእታ ንምእካብ ምዃኑ ኣረዲኡ። ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ድማ ኣብቲ ከባቢ ምስ ዘለዉ ሃይማኖታዊ ኣቦታት ብምርኻብ ብዛዕባ እቲ ዘሎ ኩነታት ክፈልጥ ብዘይምኽኣሉ፡ መጠን እቲ ጉድኣት ምርግጋጽ ከምዘይተኽኣለ ወሲኹ ገሊጹ። ምኽትል ፕረዚደንት እስላማዊ ጉዳያት ዶክተር ጀይላን ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ፤ ኣብ ልዕሊ መስጊድ ኣልነጃሺ ዝበጽሐ ጉድኣት ምጽራይ ምስተገበረሉ ንህዝቢ ወግዓዊ ክግበር’ዩ። ምኽትል ዳይረክተር በዓል መዚ መጽናዕትን ሓለዋን ቅርስታት ኢትዮጵያ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ኣበባው ብወገኑ እቶም ሃይማኖታዊ ቦታታት ጽገና ተገይሩሎም ናብ ኣገልግሎት ክምለሱ ከምዘለዎም ተዛሪቡ። ኣብ ልዕሊ መስጊድ ኣልነጃሺ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ቤተክርስትያን ኣማኑኤል’ውን ተመሳሳሊ ጉድኣት ከምዝበጽሖ ሰሚዕናለና ዝበለ እቲ ምኽትል ዳይሬክተር፡ ፈለማ ኣብ ልዕሊ ክልቲኦም ሃይማኖታዊ ቦታታት ዝበጽሐ ጉድኣት ኣጽኒዑ ዝምለስ ቀዳማይ ጉጅለ ከምዝለኣኽ ኣመልኪቱ። ካልኣይ ጉጅለ ድማ ኣብቶም ቦታታት ዝነበሩ ተንቀሳቐስቲ ቅርስታት (ውርሻታት) ኣብዚ እዋን ኣብ ቦትኦም ኣለዉ’ዶ የለዉን ዝብል ክድህስስ ምዃኑ ኣረዲኡ’ሎ። እቲ ቀዳማይ ጉጅለ ኣብ ፈላማይ ሰሙን ወርሒ ጥሪ ናብቲ ከባቢ ከምዝኸይድ ገሊጹ። ኣብ ትግራይ ንዝተኻየደ ውግእ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ መስጊድ ኣልነጃሺ ዝበጽሐ ጉድኣት ዘርእዩ ስእልታት ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሮም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ክረኣዩ ኪኢሎም ኣለዉ። ነዚ ብዝምልከት ካብ ወገን እቲ ኣብ ትግራይ ዝቖመ ጊዜያዊ ምምሕዳር ኮነ መንግስቲ ፌደራል ዝተወሃበ ወግዓዊ መግለጺ የለን። ነቲ ኣብ ልዕሊ መስጊድ ኣልነጃሺ ዝበጽሐ ጉድኣት ዝኾነኑ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ) ን ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣብን)ን ብዛዕባ እቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ብሳልሳይ ኣካል ምጽራይ ክካየድን እቲ ቅርሲ (ሓድጊ) ብቕልጡፍ ተጸጊኑ ናብ ዝነበሮ ክምለስን ጸዊዖም ኣለዉ። ካብ ከተማ መቐለ ኣስታት 60 ኪሎሜትር ርሒቑ ዝርከብ ጥንታዊ መስጊድ ኣልነጃሺ፡ ቅድሚ ዝተወሰኑ ዓመታት ካብ መንግስቲ ቱርኪ ብዝተረኸበ ገንዘባዊ ሓገዝ ጽገና ተገይሩሉ ምንባሩ ይፍለጥ። እቲ ኣብ 4 ሽሕ ትርብዒት ሜትር ስፍሓት መሬት ዝዓረፈ መስጊድ ናይ ጸሎት ቦታን ክልተ መቓብራትን ሒዙ ይርከብ። ንኣልነጃሺ ንምርኣይ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝመጽኡ ሰባት ዝዓርፉሉ ክፍልታት’ውን ተሰሪሑሉ’ዩ። እቲ መስጊድ እንታይ ኣጋጢምዎ? ኣብ በልጅዩም ዝመደበሩ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር 'ዩሮፕ ኤክስተርናል ፕሮግራም ዊዝ ኣፍሪካ' ብ18 ታሕሳስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ መስጊድ ኣልነጃሺ ደብዳብ ከም ዝበጽሖን ብወተሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከም ዝተዘመተን ጸብጺቡ። እቲ ጸብጻብ ወሲኹ \"ምንጭታት ትግራይ፡ ነቲ መስጊድ ክከላኸሉ ዝፈተኑ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ምግላጾም\" ሓቢሩ። መንግስቲ ኣብዚ ጉዳይ ዛጊት ዝበሎ የሎን። መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን: ኣብ ትግራይ ኣንጻር ህወሓት ክዋጋእ ዝወፈረ ሰራዊት ኤርትራ ከምዘየሎ'ውን ይገልጹ። መንግስታዊ መደበር ቴለቪዥን ኢትዮጵያ ብሰኑይ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና፡ ህወሓት ኣብ ከባቢ እቲ መስጊድ ድፋዓት ከም ዝዃዓተ፡ ካብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ከም ዝሰምዐ ጸብጺቡ። ኪንዮ እዚ ግና ዝርዝር ኣይነገረን። መንግሰቲ ኣብ ትግራይ ኣንቢርዎ ብዝርከብ ቀይድታት፡ ብልክዕ እንታይ የጋጥም ከም ዘሎ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ። ምክንያት እቲ ግጭት እንታይ እዩ? እቲ ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን ፈደራልን ዝነብረ ምትፍናን፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር ኵናት ምስ ኣወጀ፡ እቲ ዝነበረ ወጥሪ ናብ ቅሉዕ ኵናት ዓሪጉ። ቅድሚ መጀመርታ ሕዳር ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ውድብ ህወሓትን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራልን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ርክቦም ሓርፊፉ ነይሩ። ህወሓት ንዝሓለፈ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት፡ ኣብቲ ብሕብረት ሰልፍታት ዝቖመ ኢህወደግ ብዓብላልነት ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ ምጽአ እቲ ዝነበሮ ዓብላልነት ስኢኑ ኣብ ክልል ትግራይ እዩ ተሓጺሩ ጸኒሑ።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55541863"} {"headline":"ኣብ እዋን ረመዳን ጽልዋ ኮሮና ከይሕይል ዝጽዕሩ እስላም መናእሰይ","content":"ሰልሓዲን ስዒድ ይብሃል። ብንግዲ ዝመሓደር ነባሪ ከተማ ድሬዳዋ'ዩ። ሰልሓዲን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣካቢ ማሕበር መናእሰይ ጅማ'ዩ ነይሩ። ብ2012፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ተራእየ፡ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ጾመ ረመዳን ስለ ዝኣተወ እቲ ማሕበር ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ይሰርሕ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ብዝተኣወጀ መምርሒ ህጹጽ ግዜ፡ ዝርግሐ እቲ ለበዳ ንምቁጽጻር መብዛሕትአን ትካላት ሃይማኖት ተዓጽየን ነይረን። ሰልሓድን ንድሕሪት ሓደ ዓመት ተመሊሱ ክዝክሮ እንከሎ፡ \"መስጊድ ምስተዓጽወ ዘይሓዘነ መን ኣሎ?\" ይብል። \"ናብ መስጊድ ምኻድ ንሓደ እስላማይ መዓልታዊ ተግባሩ'ኳ እንተኾነ፡ ኣብ እዋን ረመዳን ተዓጽዩ ክትርእዮ ግን ዳግም ዝኽፈት'ውን ኣይመስለካን\"። ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ንድሬዳዋ ጥራሕ ዘይኮነ መላእ ዓለም ዘስግእ ለበዳ'ዩ ተባሂሉ ምስ ተኣወጀ ኣብ ሳልሳይ ወርሒ ንተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና ዓብዪ ቦታ ዘለዎ ጾመ ረመዳን ዝኣተወ። ኣብ ወርሒ ሚያዚያ 2012 ውድብ ጥዕና ዓለም እቲ ቫይረስ ኣብ ሓሙሽተ ኣህጉራት ምእታው ጸብጻብ በጺሑኒ'ዩ ብምባል፡ ዓለማዊ ለበዳ ክብል ኣዊጁ። እዚ ለበዳ 1.8 ቢሊየን እስላም ዓለም፡ ጾመ ረመዳን ርእዮምዎ ብዘይፈልጡ ኩነታት ከሕልፉዎ ኣገዲዱዎም'ዩ። ብመሰረት ኣቆጻጽራ ሒጅራ ኣብ ታሽዓይ ወርሒ ዝውዕል ረመዳን፡ ኣብ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ እስልምና ቅዱስቲ ከተማ ዝኾነት መካ'ውን ከምቲ ሕሉፍ ሰዓብቲ እቲ እምነት ተኣኪቦም እናሰገዱ ኣየሕለፉዎን፤ ስዑዲ ዓረብ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምዕጋት ተጉዓዝቲ ከይኣትውዋ ኸልኪላ'ያ። ኣብዚ ዓመት፡ ዓለም ነዚ መትሓዝን መጨበጥን ስኢናትሉ ዝነበረት ቫይረስ ተላሚዳ፡ ክታበት ምሃብ ጀሚራ ኣላ። ጾመ ረመዳን'ውን ኣትዩ። ሸምሰዲን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ድሬዳዋ ጥራሕ ትሸዓተ ሚሊየን ብር ተዋጺኡ ኣብታ ከተማ ንዘለው ጽጉማት ክሕገዙ ከም ዝተገብረ ይዛረብ። \"ኣብ ድሬዳዋ፡ ካብ ሓደ ገዛ ክልተ ወይ ሰለስተ ውላድ ኣብ ደገ ዘይብሉ ስድራ የለን። ንሕና ከኣ ካብቶም ኣብ ወጻእ ዘለውን ኣብዚ ዘለውን ሰባት ገንዘብ ኣተኣኻኺብና ሓገዝ ገይርና ነይርና\"ብምባል እቲ ዝሓለፈ ዓመት ይዝክሮ። ወሲኹ ኣብታ ከተማ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝፈጠሮ ስንባደ ስለ ዝነበረ፤ እዚ ኸኣ ብፍላይ ኣብ ንግዲ ንዝተዋፈሩ ሰባት ዓብዪ ጸቕጢ ከም ዘሕደረ ይዛረብ። ይኹን'ምበር ኣብቲ ግዜ መሳጊድ ተዓጽዮም እቲ ዝነበረ ጥንቃቐ ድማ ስጡም ከም ዝነበረ ብምግላጽ፡ ኣብዚ ዓመት ዘሎ ልዑል መጠን ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ኣብ ግምት ብምእታው ሕጂ ጎዲሉ ዘሎ ጥንቃቐ ከም ዘስግኦ ይገልጽ። ኣብ መሳጊድ፡ \"ሰብ ንርእሱ ክብል ጥንቃቐ ንክገብር ትምህርቲ ይወሃቦ'ዩ፤ ግን ዕሽሽ ምባሉ የስግኣኒ'ዩ። ኣብዚ ዓመት ከኣ ረድኤት ናይ ምትእኽኻብ ስራሕቲ ዳርጋ የለውን\" ይብል። እንተኾነ፡ እቶም መናእሰይ ይዘራረቡ ከም ዘለውን ንጽጉማት ዝግበሩ ሓገዛት ንምጥንኻርን ናብ መስጊድ ዝመጽኡ ሰባት ብምትሕብባር ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንከይውስኽ ጻዕሪ ንምግባር ምንቅስቓስ ከም ዝጀመሩ ሓቢሩ። ቅድሚ ሓደ ዓመት ልዑል ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ዝርኣያ ዝነበረት ድሬዳዋ፡ ሕጂ ኣብ መላእ ሃገር ብዝለዓለ ቑጽሪ እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ። ልክዕ ከም ሰልሓዲን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ረድኤት ዘተኣኻኽቡ መናእሰይ ነይሮም፤ ኣዱኛ ሙጩ ሓደ'ዩ። ዝሓለፈ ዓመት 10 ሽሕ መራሕቲ ስድራ ንሓደ ወርሒ ዝኾኖም ቐለብ ብምትእኽኻብ ካብ ሞንጎ ዘከፋፈሉ መናእሰይ ዝኾነ ኣዱኛ፡ ኣብዚ ዓመት ምዝሕሓል እንተሃለወ'ውን እቲ ሓገዝ ግን ኣይተረፈን ይብል። ቅድሚ ሓደ ሰሙን ናብ ክልል ዓፋር ብምኻድ ሓገዝ ገይሮም ከም ዝመጽኡ ዝዛረብ እዚ መንእሰይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ ክልል ብሓደጋ ውሑጅ ንዝተጎድኡ ሰባት ይሕግዙ ምንባሮም የዘኻኽር። ጾመ ረመዳን ምኽንያት ብምግባር ከኣ 150 ኣርባሕቲ እንስሳ ዳግም እግሪ ንምትካል ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ኣጣል ለጊሶምሎም ከም ዝተመለሱ የረድእ። \"ኩል ግዜ ሓሩጭ ሒዝና ካብ እንኸይድ፤ ዳግም እግሪ ንክተኽሉ ኢና ኣጣል ሂብናዮም። ኣብ ሓደ ዓመት ሓሙሽተ ጤል 15 ኣጣል ይኾና'የን ተባሂሉ ይግመት። እዚ ኸኣ ብዘላቕነት እግሪ ንክተኽሉ ይሕግዞም'ዩ\" ይብል። ይኹን'ምበር፡ ኣብዚ ዓመት ተመሳሳሊ ሓገዝ ንምግባር ንምትሕብባር ብፍላይ እቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ብዝሓዞም ኣጀንዳታት ትኹረት ክረክብ ኣይክኣልኩን ኢሉ። \"ዝሓለፈ ዓመት መስጊድ ተዓጽዩ ርእዮም ዝበኸዩ ብዙሓት ኣለው። ረመዳን ዓብዪ ናይ ሰደቓ እዋን ስለ ዝኾነ ብዙሓት ኣብ ኣፍ ደገ መስጊድ ኮፍ ኢሎም ሓገዝ ዝረኽብሉ'ዩ። እዚኦም ናይ ዓመት ቀለቦም'ውን ዝረኽብሉ ወርሒ'ዩ\" ይብል። ኣብዚ ዓመት ግን መሳጊድ ተኸፊቶም ጾም'ውን ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ንኣዱኛው ጽቡቕ ዜና እዩ። እንተኾነ \"እቲ ዘሎ ሸለልትነት\" የተሓሳስበኒ'ዩ ዝብል እቲ መንእሰይ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰባት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝገብሩ ፖሊስ ንከይቐጽዖም ጥራሕ'ዩ ዝመስል ብምባል፡ ብኻልእ ወገን ማስክ ዝገበረ ሰብ ኮሮና ዘለዎ ዝመስሎም'ውን ከም ዘለው ይዛረብ። ኣብ መስጊድ ንዘሎ ኩነታት ክገልጽ እንከሎ ድማ \"መዓልታዊ ሰለስተ፣ ኣርባዕተ ሰብ ኮሮና'ዩ እናተባህለ ብጥንቃቐ ክቕበር ይርኢ'የ\" ብምባል ኣብ እዋን ረመዳን ዝግበሩ ማሕበራዊ ምንቅስቓሳት ግቡእ ጥንቃቐ እንተዘይተገይሩ \"ዓብዪ ጥፍኣት ከየምጽኡ ይሰግእ'የ\" ኢሉ። ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሓጅን ዑምራን፡ ኣብ 2013 ዓ.ም ወርሒ ረመዳን ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝወሰደን ካብቲ ሕማም ዝሓወየን ጥራሕ ኣብ ስዑዲ ዓረብ መካ ናብ ዝርከብ ዓብዪ መስጊድ ክበጽሕ ከም ዝኽእል ገሊጹ ነይሩ። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት መሳጊድ ሓዊሱ ብርክት ዝበላ ትካላት እምነት ተዓጽየን'የን ዘለዋ፤ ኣዝየን ውሑዳት ድማ መምርሒታት ምክልኻል ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ተግባራዊ ብምግባር ኣገልግሎት ይህባ ኣለዋ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ትካላት ሃይማኖት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ቅድሚ ምምጽኡ ናብ ዝነበረ ኣገልግሎት ካብ ዝምለሳ ነዊሕ ገይረን። ብዙሓት ከም ኣካላዊ ርሕቀትካ ምሕላው ዝብሉ መምርሒታት ተዘንጊዖም'ዮም። ጎኒ ጎኒ ጾመ ረመዳን ዝካየዱ ሃይማኖታዊ ስርዓታት ኣድላዪ ጥንቃቐ ብዝተመልኦ እንተዘይተፈጺሞም ብዙሓት ክጉድኡ ከም ዝኽእሉ እዞም መናእሰይ ይዛረቡ። \"ንሕና መናእሰይ ተስፋ ከይቖረጽና እጃምና ከነበርክት ኢና። ህይወት ሓደ ሰብ ምድሓን ዓለም ምድሓን'ዩ፤ ሓንቲ ህይወት ምጥፋእ ዓለም ምጥፋእ'ዩ ብምባል ቑርዓን ብምጥቃስ እቲ ናይ ምግባረ ሰናይ ስራሕቲ ከም ዝቕጽሉዎ ኣዱኛው ይዛረብ።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/56716182"} {"headline":"ሱዳን፡ ልዕሊ 30 ዓመት ዘቑጸሩ ጥቡቕ እስላማዊ ሕጊታት ኣመሓይሻ","content":"ንልዕሊ 30 ዓመታት ብእስላማዊ ሕግታት ክትመሓደር ዝጸንሐት ሱዳን፡ እስላም ዘይኮኑ ሰባት ኣልኮላዊ መስተ ክሰትዩ ካብ ምፍቓድ ጀሚሩ፡ ክሳብ ሃይማኖትካ ናይ ምቕያር መሰል ዘረጋግጹ ብርክት ዝበሉ ለውጥታት ገይራ። ብተወሳኺ፡ ካብ ሞራላዊ ስነ ምግባር ወጻእ ዝኾኑ ተግባራት ዝፈጸሙ ሰባት፡ ኣብ ኣደባባይ ክግረፉ ዝእዝዝ መምርሒ ደው ክብል ኣዊጃ። ሱዳን ምኽንሻብ ጓል ኣንስተይቲ'ውን ዘይሕጋዊ ተግባር ምዃኑ ብምግላጽ ኸልኪላ። ሚኒስትሪ ፍትሒ ሱዳን ነስረዲን ዓብዱልባሪ፡ \"ኣብ ሱዳን፡ ኩሎም ንሰብኣዊ መሰላት ዘቆናጽቡ ሕግታት ከነልግሶም ኢና\" ኢሉ። ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ ደቂ ኣንስትዮ ደቀን ሒዘን ናብ ካልእ ቦታ ንምንቅስቓስ ካብ ወዲ ተባዕታይ ፍቓድ ምሕታት ኣየድልየንን። እዚ ለውጢ፡ ፕሬዝደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ብህዝባዊ ዓመጽ ካብ ስልጣን ምስተኣለየ ዝቖመ ሓድሽ መንግስቲ ምስ መጽአ ዝውሰድ ዘሎ ፈላማይ ስጉምቲ እዩ። ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብ ሱዳን ኣልኮላዊ መስተ ምጥቃም ብሕጊ ዘቕጽዕን ዝተኸልከለን እዩ ነይሩ። ሕጂ ግን፡ እስላም ዘይኮኑ ሰባት ኣብ መንበሪ ገዝኦም ኮይኖም ክጥቀሙ ከም ዝኽእሉ ሚኒስትሪ ፍትሒ ዓብዱልባሪ ገሊጹ። እዞም ሰባት እስላም ምስ ዝኾኑ ብሓባር ክሰትዩ እንተተረኺቦም ግን ክቕጽዑ ምዃኖም ሱዳን ትሪቡን ጸብጺቡ። እቶም እስላም ዘይኮኑ ሰባት 3 ሚኢታዊት ብዝሒ ህዝቢ ሱዳን ዝሕዙ ኮይኖም፡ መንግስቲ መሰላቶም ንምኽባር ይሰርሕ ከም ዘሎ እቲ ሚኒስትሪ ንሃገራዊ ቴሌቪዥን ገሊጹ። ስለ ዝኾነ ድማ፤ ድሕሪ ሕጂ ክሸጡን ክሰትዩን ተፈቒዱሎም ኣሎ። ብኻልእ ወገን፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሱዳን ሃይማኖቶም ዝቕይሩ ሰባት፡ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዝሓወሰ ከቢድ መቕጻዕቲ ይፍረዶም ነይሩ። ብ2014፡ ሜሪያም ኢብራሂም ዝተባህለት ጓል ኣንስተይቲ ክርስቲያን ወዲ ተባዕታይ ምስ ተመርዓወት ብስቅላት ክትቕጻዕ ተፈሪዱዋ ነይሩ። ሜሪያም፡ ኣብቲ እዋን ነፍሰ ጾር ስለ ዝነበረት እቲ ፍርዲ ከይተፈጸመ ተሪፉ ካብ ሱዳን ክትወጽእ ክኢላ። ግን ድማ ከምዚኦም ዝበሉ ሕግታት ጠጠው ክብሉ ብርክት ዝበሉ ጎስጓሳት ክካየዱ ጸኒሖም። ኣብ ሱዳን ሓደ ሃይማኖቱ ዝቐየረ ሰብ፡ \"ንድሕነት ህዝቢ ስግኣት'ዩ\" ተባሂሉ ይወስድ ነይሩ።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53386441"} {"headline":"ጣሊባን ብምኽንያት ዒድ ንሰለስተ መዓልቲ ውግእ ደው ከምዘብል ኣፍሊጡ","content":"ጣሊባን ንሰለስተ መዓልቲ ምስ ሓይልታት መንግስቲ ዝግበር ልውውጥ ተኹሲ ደው ከምዘበሎ ኣፍሊጡ'ሎ። እዚ ድማ ሎሚ ሰንበት ንዝኽበር ዘሎ በዓል ዒድ-ኣልፈጥር ምኽንያት ብምግባር እዩ። እቲ እስላማዊ ጉጅለ ኣብቶም ዝሓለፉ ሰሙናት፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት መንግስቲ ዝፍጽሞ መጥቃዕትታት ኣሐይሉ እዩ ቀንዩ። ፕረዚደንት ኣፍጋኒስታን፡ ኣሽራፍ ጋኒ፡ ነቲ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ሓሳብ ተቐቢልዎ ኣሎ። ወተሃደራቱ ነዚ ከኽብርዎ ምዃኖም እውን ገሊጹ። እዚ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ፡ ኣብታ ሃገር ቀጻሊ ጎንጽታት ኣብ ምንካይ ግደ ይህልዎ ይኸውን እዩ ዝብል ተስፋ ፈጢሩ'ሎ። እንተኾነ፡ ኣብ 2018 ብተመሳሳሊ ንዒድ-ኣልፈጥር ዝተኣወጀ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ኣይዘለቐን። \"ኣብ ዝኾነ ቦታ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዝኾነ ናይ መጥቃዕቲ ስርሒት ከይተካይዱ። መጥቃዕቲ እንተደኣ ወሪድኩም ግን፤ ንነብስኹም ተኸላኸሉ\" ኢሉ ውሃቢ ቃል ጣሊባን ዛቢሁላህ ሙጃሂድ ብቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ። ወሲኹ ድማ፡ እቲ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ኩነት ንዒድ-ኣልፈጥር ጥራይ ዝተኣወጀ ምዃኑ ተዛሪቡ። \"እቲ ተኹሲ ደው ንምባል ዝቐረበ ጻውዒት እቕበሎ እየ\" ክብል ድማ ፕረዚደንት ኣሽራፍ ጋኒ ኣብ ትዊተሩ ጽሒፉ። \"ወተሃደራት ነቲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ክትግብርዎ ኣዚዘ እየ። መጥቃዕቲ እንተወሪድዎም ጥራይ እዮም ንርእሶም ክከላኸሉ\" ድማ ኢሉ። ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ኣመሪካ ኣብታ ሃገር ንዘለዉ ወተሃደራታ ክትስሕብ ምስ ጣሊባን ስምምዕ ምስፈረመት፡ ኣፍጋኒስታውያን ኮኑ ዓለምለኸ ተዓዘብቲ፡ ጎንጺ ክንኪ እዩ ዝብል ተስፋ ነይርዎም። እንተኾነ፡ ኣብ ምልውዋጥ እሱራት ምስተበጽሐ፡ እቲ ልዝብ ኣይቀጸለን። ኣብቶም ዝሓለፉ ሰሙናት ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት መንግስቲ ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ክውስኽ ተራእዩ። ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ከተማ ካቡል ኣብ ሓደ ናይ ሕርሲ ሆስፒታል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብብዙሕ ወገን ክንቀፍ ጸኒሑ እዩ። ጣሊባን ግን ነቲ መጥቃዕቲ ኣይፈጸምኩን እዩ ዝብል። ድሕሪ'ዚ ድማ፡ ፕረዚደንት ኣሽራፍ ጋኒ ኣብ ልዕሊ ጣሊባንን ካልኦት ጉጅለታትን ዝግበር መጥቃዕትታት ክቕጽል ኣዚዙ እዩ። ዕጡቓት ብተደጋጋሚ ንዝቐረበሎም \"ጎንጺ ናይ ምንካይ\" ጻውዒት ዕሽሽ ከምዝበልዎ እዩ እቲ ፕረዚደንት ዝገልጽ። ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ብምኽንያት ረመዳን ተኹሲ ደው ክብል ብመንግስቲ ንዝቐረበ ጻውዒት፡ ጣሊባን ኣይተቐበሎን ነይሩ።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/52788139"} {"headline":"ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዝበጽሐ መጥቃዕቲ 18 ሰባት ተቐቲሎም","content":"ኣብ ርእሰ ከተማ ኣፍጋኒስታን፡ ኣብ ከተማ ካቡል ብዝተፈጸመ ነብሰ-ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ቦምባ፡ ብውሕዱ 18 ሰባት ከምዝተቐተሉ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም። ሚኒስትሪ ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ ከምዘፍለጦ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሓደ ናይ ውልቀ ትካል ቤት ትምህርቲ እዩ ኣጋጢሙ። እቲ ቤት ትምህርቲ ብቐንዱ ተኸተልቲ ሺዓ እስልምና ዝመሃሩሉን፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ተምሃሮ ዘለዉዎን እዩ። ድሕሪ እቲ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ፡ ብዙሓት ናብ ሕክምና ተወሲዶም እዮም። እቲ ነትጉ ከቢድ ብምንባሩ ድማ፡ ቁጽሪ መወትቲ ክውስኽ ከምዝኽእል ይግመት። ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ (ኣይሲስ) ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቢሉ ኣብ ዝዘርገሖ መልእኽቲ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ’ሎ። ታሊባን ድማ፡ ነዚ መጥቃዕቲ ‘ኣይፈጸምኩዎን’ ኢሉ’ሎ። “ሓደ ቦምባ ዝዓጠቐ ሰብ፡ ናብ’ቲ ቤ ትትምህርቲ ኣትዩ። ቅድሚ ሓለውቲ ስጉምቲ ምውሳዶም ድማ፡ ነቲ ነታጉ ኣፈንጂርዎ” ኢሉ ወሃቢ ለል ሚኒስትሪ ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ ታሪቅ ኣሪያን። ኣሊ ራዛ ዝበሃል ናይ’ቲ ከባቢ ነባሪ፡ ንመደበር ዜና ኤኤፍፒ ከምዝበሎ፡ እቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ሰባት፡ ናብ’ቲ ቤት ትምህርቲ ክኣትዉ እናተጸበዩ ዝነበሩ እዮም። ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘለዉ ኣመንቲ ሺዓ እስልምና፡ ቅድሚ ሕዚ’ውን ናይ ሱኒ እስልምና ተኸተልቲ ብዝኾኑ ጥሩፋት መጥቃዕቲ ይበጽሖም እዩ።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54680434"} {"headline":"ኣብ ህንዲ፡ ‘ብዛዕባ ነቢይ መሓመድ ዝተጻሐፈ’ ጽሑፍ ሓያል ናዕቢ ኣለዓዒሉ","content":"ትማሊ ሰሉስ ፖሊስ ህንዲ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም 'ኣብ ፌስ ቡክ ብዛዕባ ነቢይ መሓመድ ዝተጻሐፈ’ ንኽቃወሙ ዝወጽኡ ሰልፈኛታት ጥይት ብምትኳሶም ሰለስተ ሰባት ሞይቶም። እቲ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ባንግሎር ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ኣብ ኣፍደገ ናይ ሓደ ፖሎቲካኛ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ እቶም ሰልፈኛታት፡ ዘመድ እቲ ፖለቲከኛ ብዛዕባ ነቢይ መሓመድ ኣብ ፌስ ቡክ ‘ተጻባኢ’ ጽሑፍ ጽሒፉ’ዮም ዝብሉ። ፖሊስ'ቲ ከባቢ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ሰልፈኛታት ነተን ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ መካይን ብሓዊ ከምዘቃጸልወንን ናብቲ ቦታ ንዝኸዱ ፖሊስ ብእምኒ ከምዝሃረምዎምን ገሊጹ። ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ፌስ ቡክ ተጻባኢ ጽሑፍ ጽሒፉ ዝተብሃለ ሰብን ኣብቲ ናዕቢ ተሳቲፎም ዝበሎም 110 ሰባት ከምዝኣሰረ ፖሊስ እታ ከተማ ገሊጹ ኣሎ። ኮምሽነር ፖሊስ እታ ከተማ ካማል ፓንታ፡ ላዕለዎይ ሓላፊ ዝርከቦም ብውሕዱ 60 ፖሊስ ብናይ ሰልፈኛታት ዳርባ እምኒ ከምዝተሃረሙ ሓቢሩ። ፖሊስ እታ ከተማ ሕጂ ኩሉ ነገር ከምዝተቆጻጸሮ ብምሕባር፡ እቶም ሰልፈኛታት ብዘንብዕ ጋዝ ክብተኑ ስለዘይከኣሉ ፖሊስ ጠያይቲ ከምዝተኮሱን፡ ካብቶም ሰልፈኛታት ዝሞቱ ከምዘለዉን ሓቢሩ ኣሎ። ሚኒሰትር ውሽጣዊ ጉዳያት እቲ ዞባ ኣክሃንዳ ስሪንቫስ ብቪድዮ ኣብ ዝልኣኾ መልእኽቲ፡ እቶም ሰልፈኛታት ክሃድኡን ፍትሒ ከምዝረኽቡን ቃል ኣትዩ። ኣክሃንዳ ስሪንቫስ፡ “እዞም የሕዋትና ዝኾንኩም ኣስላም ንሕጊ ዝጥሓሰ ሕጊ ስለዘሎ ኣይትብኣስዎ፡ ኩልና ኣሕዋት ኢና፡ ንዝበደለ ናብ ሕጊ ኣቅሪብና ግቡእ መቅጻዕቲ ንኽረክብ ከምእንሰርሕ ክሕብረኩም እፈቱ፡ ኣብ ጎንኹም ኣለኹ” ኢሉ።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53748202"} {"headline":"ንፈረንሳይ ዘቕሐረ ርእይቶ ፕረዚደንት ቱርኪ","content":"ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶዋን፡ ኣብ ልዕሊ መዘናኡ ፕረዚደንት ፈረንሳይ ዝሃቦ ርእይቶ ቅርሕንቲ ኣስዒቡ። ፕረዚደንት ኤርዶዋን፡ ንፕረዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ናይ ኣእምሮ ጥዕና ምርመራ ክገብር ኣለዎ ብምባል እዩ ኣናኢስዎ። እዚ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፈረንሳይ ቁጥዐ ዝፈጠረ ኾይኑ፡ ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ፈረንሳይ መብርሂ ክህበሉ ተሓቲቱ ኣሎ። እቲ ፕረዚደንት እዚ ዓይነት ዘቖጥዕ ርእይቶ ዝሃበ ምስ ምሕላው ‘ዓለማዊ ክብርታትን ምውጋእ ጥሩፍነትን’ ኣመልኪቱ እንትዛረብ እዩ። ፕረዚደንት ፈረንሳይ ማክሮን፡ ኣብ ፈረንሳይ ሓደ መምህር ብኣኽረርቲ ሰዓብቲ እስልምና ድሕሪ ምስያፉ፡ ዓው ኢሉ ምዝራቡ ነዚ መበገሲ ኮይኑ። እቲ መምህር፡ ናይ ነብዪ መሓመድ ካርቱን ስእሊ ብምርኣይ ኣናሽዩ ብዝብል እዩ ክቕተል ዝኸኣለ። እዚ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ዓብዪ ምድንጋጽ ዝፈጠረ ኾይኑ፡ እቲ ጥርጡር ብፖሊስ ዘተቐትለ ኾይኑ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ተምሃሮን ወለድን'ውን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ። ማክሮን፡ ነቲ ተጓንፎ ስዒቡ ፡ “ፈረንሳይ ካርቱን ምጥቃም ጠጠው ኣይተብልን” ዝብል ርእይቶ ሂቡ ነይሩ። ፕረዚደንት ታዪፕ፡ ነዚ ኣበሃህላ እዩ ምላሽ ዝሃበ። ብመሰረት እምነት እስልምና፡ ስእልታትን ምስልን ነብዪ መሓመድ ኮነ ኣላህ ምርኣይ ክልኩል እዩ። እንተኾነ ፈረንሳይ፡ እዚ ናይ ሓደ ማሕበረሰብ ክብሪ ክትሕሉ ክትብል ‘ሓሳብ ናይ ምግላጽ መሰል’ ክትክልክል ይኸብዳ እዩ ኢሉ-ፕረዚደንት ማክሮን። እዚ ብዝምልከት ዝተሓተተ ፕረዚደንት ኤርዶዋን፡ “እዚ ማክሮን ዝበሃል ውልቀሰብ ምስ እስልምናን ሙስሊም ማሕበረሰብን እንታይ እዩ ጸገሙ?” ኢሉ። “ናይ ኣእምሮ ናይ ጥዕና መርመራ ክገብር ኣለዎ” ድማ ኢሉ። “እሞኸደኣ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ንዝነብሩ ሰዓብቲ ሓደ እምነት ክብሪ ዘይህብን ክብሪ ሓደ እምነት ንዘየግድስን ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ክብሎ?” ክብል ድማ ነቲ ወሲኽሉ። ነዚ ስዒቡ እዩ’ምበኣር፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ፈረንሳይ፡ ንኣምባሳደር ቱርኪ መብርሂ ክህብ ዝተጸወዐ።“ ርእይቶ ኤርዶዋን ቅቡል ኣይኮነን። ትርፊ ዘረባን ጸርፍን መይላ ፖለቲካ ኣይኮኑን። ኤርዶጋን እዚ ፖሊሲኡ ክቕይር ንጽበ” ኢሉ ሓደ ካብ ሓላፍቲ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት፡ ምስ ኤኤፍፒ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት። ኤርዶዋን፡ ኤከይ ዝበሃል ፖለቲካዊ ውድቡ ሒዙ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ጀሚሩ፡ እስልምና ሃይማኖት ናብቲ ቀንዲ ፖለቲካ ክሓውስ እዩ ዝጽዕር ዘሎ።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54681722"} {"headline":"ህንዲ ብዘተኣታተወቶ ሓድሽ ሕጊ ዜግነት፡ ናዕቢ ተላዒሉ","content":"ህንዲ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ብዘተኣታተወቶ ሓድሽ ሕጊ፡ ኣብ ገለ ክፋላት ከተማ ደልሂ ፖሊስ ምስ ሰልፈኛታት ተጋጭዮም። እቲ ሓድሽ ሕጊ፡ ካብ ሰለስተ እስላማውያን ሃገራት፡ ብምኽንያት እምነቶም ንዝስደዱ፡ ኣስላም ዘይኮኑ ሰባት ዜግነት ህንዲ ክወሃቦም ዘፍቕድ እዩ። ፖሊስ ነቶም ኣውቶቡሳት ዘቃጸሉን ጽርጊያታት ንዝዓጸውን ሰልፈኛታት ንምብታን፡ ዘንብዕ ጋዝን ኣባትርን ከም ዝተጠቀሙ ተገሊጹ። እቲ ሕጊ ካብ ዝጸድቕ ንደሓር፡ ኣብ ሰሜናውን ምብራቓውን ክፋል ህንዲ ተቓውሞታት ክረአ ጸኒሑ እዩ። ኣብቲ ሓሙሽተ መዓልታት ኣቑጺሩ ዘሎ ናዕቢ ሽዱሽተ ሰባት ተቐቲሎም ኣለው። ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፡ ኣብ ምዕራብ ቤንጋል ዝወጽኡ ሰልፈኛታት፡ ንዓበይቲ ጽርጊያታት ክዓጽው ከለው፡ ኣብ ኣሳም ድማ ህዝቢ ዘድልዮ መሰረታዊ ነገራት ክዕድግ ምእንቲ መንግስቲ እቲ ዞባ ነቲ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ናይ ሰዓት እቶ እቶ ኣልዒልዎ ኣሎ። ዩናይትድ ኪንግደም፡ ኣሜሪካና፡ ካናዳን ናብ ሰሜናዊ ምብራቕ ህንዲ ንዝገሹ ዜጋታተን ኣጠንቂቐን እየን። እቲ ሕጊ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ህንዲ ዝኣተው ዜጋታት ባንግላድሽ፡ ፓኪስታንን ኣፍጋኒስታንን ዜግነት ህንዲ ክወሃቦም ዘፍቅድ እዩ። እቲ ሕጊ፡ ነቶም ብምኽንያት እምነቶም ዝተሰደዱ ሰባት ንምስሳይ ዝዓለመ ምዃኑ፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ሃገራዊ ሰልፊ ሂንዱ ቢጄፒ ይገልጽ። ነቐፍቲ ግና፡ እቲ ሕጊ፡ ኣካል ናይቲ መንግስቲ ንኣስላም ናይ ምግላል ኣጀንድኡ ምዃኑን፡ ኣብ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ንዝተነጸረ መትከል ዝጻረር ምዃኑን ይገልጹ። ቤትጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ፈለማ እዚ ሰሙን፡ እቲ ሕጊ ብመሰረቱ ፈላላዪ ምዃኑ ብምግላጽ ዘለዎ ስግኣት ኣፍሊጡ። ነበርቲ ዞባ ኣሳም ብወገኖም፡ ወጻእተኛታት መሬቶምን ስርሖምን ኣብ መወዳእታ ድማ ባህሎምን መንነቶምን ክወስዱሎም ምዃኖም ይገልጹ። መንግስቲ ግና፡ ኣስላም ውሑዳን ስለ ዘይኮኑ እቲ ሓድሽ ሕጊ ከም ዘይምልከቶምን ጸግዒ ከም ዘየድልዮምን ብምግላጽ፤ ዝኾነ ሃይማኖታው ኣድልዎ ከም ዘይብሉ ይሙግት።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50805292"} {"headline":"እስራኤል ብኳዕቲ ልዕሊ 1 ሽሕ ዓመት ዕድመ ዘለዎ መስጊድ ረኺባ","content":"ኣብ እስራኤል ኔጌቭ ኣብ ዝበሃል ምድረበዳ፡ ሰብ ሞያ ስነ ኳዕቲ እስራኤል፡ ቅድሚ 1,200 ዓመት ኣቢሉ ዝተሃነጸ መስጊድ ረኺቦም። እቲ ዝተረኸበ መስጊድ ሓደ ካብቶም ጥንታውያን ዝበሃሉ እዩ። ሓለዋ ቅርስታት እስራኤል ከምዝበሎ፡ እቲ መስጊድ ዝተረኸበ ንህንጸት ተባሂሉ ኳዕቲ ኣብ ዝካየደሉ እዋን እዩ። እቲ ዝተረኸበ መስጊድ ምስቶም ኣብ መካን እዮርሳሌምን ዝተረኸቡ ናይቲ ዘመን መሳጊድ ብዕድመ ዝቀራረብ ምዃኑ'ውን ሓለዋ ቅርስታት እስራኤል ገሊጹ። ነቲ ኳዕቲ ዘካየዱ ሰብ ሞያ ብወገኖም \"ኣብ ዓለምና ካብ ዝተረኸቡ ኩሎም ፍልይ ዝበለ\" ክብሉ ገሊጾምዎ። ነቲ መስጊድ ድማ ናይቲ ከባቢ ሓረስቶት ይጥቀምሉ ነይሮም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ግምቶም ኣቐሚጦም ኣለዉ። እቲ መስጊድ ናሕሲ ኣልቦ ክኸውን እንከሎ፡ ብቕርጺ ርቡዕ ኩርናዕ ዝተሃነጸ እዩ። እቶም ታሪኽ ሃይማኖት እስልምና ዘጽንዑ ሰብ ሞያ ከምዝብልዎ፡ እቲ መስጊድ፡ ሃይማኖት እስልምና ናብታ ናይ ሎሚ እስራኤል ኣብ ዝኣተወሉ ናይ መፈለምታ ዓመታት ካብ ዝተሃነጹ ፈላሞት መስጊዳት ሓደ እዩ።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49041954"} {"headline":"መንግስቲ ኤርትራ ብሃይማኖታዊ ትካላት ንዝመሓደራ ኣብያት ትምህርቲ ሃጊሩ","content":"መንግስቲ ኤርትራ ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፡ እምነት ሚስዮን፡ ኦርቶዶክስን፡ ከምኡ'ውን ሃይማኖት እስልምና ዝመሓደራ ኣብያተ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ  ናብ መንግስቲ ክሰጋገራ መምርሒ ሂቡ። እዚ መምርሒ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ዝተዋህበ ኮይኑ፡ ትማሊ ድሮ ሸውዓተ ኣብያተ ትምህርትታት ካልኣይ ደረጃ  ብመንግስቲ ተሃጊረን ከምዘለዋ ምንጭታት ገሊጾም። ኣባ ሙሴ ገና እዚ ኩሉ ናይ ምህጋር ተግባራት፡ እቲ ግዝኣተ ሕጊ ዝበሃል ቅዋም ዘለዘየሎ'ዩ ይብል። ''ቅዋም እንተዝህሉ፡ በቲ ቅዋም መሰረት እታ ቤተ-ክርስትያን እቲ ንብረት ክውሰድ እንከሎ፤ እዚ ተግባር እዚ በዚ ናይ ቅዋም ኣንቐጽ ኣይፍቐድን እዩ ብምባል ቤተ-ክርስታያን ኣብ ቤት-ፍርዲ ምኸደት'' ''ኣብዚ ሰዓት እዚ ግን ከምዚ ዓይነት ሕጊ የብልናን። ብሕጊ ይግበር ኣሎ ክትብል'ውን ኣጸጋሚ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ቀንዲ ሕጊ፡ መሰረት ሓንቲ ሃገር እቲ ቅዋም እዩ። ሰለዚ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ምንታይ ተሞርኩሳ ክትማጎት ትኽእል። ንመንከ ክትኸስስ ትኽእል። እቲ መሰረት ስለዘየለ ኣብ ሃዋህው ኢና ዘለና። እዘን ኣብ ዝተፈለለያ ከተማታት ኤርትራ ተደኲነን ብቑዕ ትምህርቲ ዝህባ ዝነበራ ኣብያተ ትምህርቲ እየን። ገለ ካብተን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ካብ እዋን መግዛእቲ ጥልያን ኣትሒዘን ዝተመስረታ ኮይነን፡ ክሳብ ሕጂ ንኣስታት ሰብዓ ዓመት ብቑዕ ትምህርቲ ብምሃብ ኣብ ልዑል ደረጃ ዝበጽሑ ኣብነታውያን መንእሰያት ዘፍረያ እየን። መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣዋጅ ቑጸሪ 73\/1995 መሰረት ብምግባር እየ ዝወርሰን ዘሎኹ ይብል። እንተኾነ ግን ገሊአን ካብዘን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ቅድሚ እቲ ኣዋጅ ዝተመስረታ እየን። \"ስለምንታይ እየን ኣብ እዋን ሰላም እሞ ኸኣ ቅድሚ እቲ ኣዋጅ ዝተሃንጻን ከገልግላ ዝጸንሓን ትካላት ኣብያተ ትምህርትን ማእከላት ጥዕናን ይህገራ?\" ክብሉ ይሓቱ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተልዎ ካህን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣባ ሙሴ። ኣብ ሰነ-2019 መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መላእ ሃገር ንዝርከባ ትካላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ከም ዝወረሰን ይፍለጥ። ብድሕሪኡ፡ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ፡ ናብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣብ ዝጽሓፉዎ መልእኽቲ፡ \"እታ ቤተ ክርስትያን ህይወታ ምስ ኣገልግሎት ህዝቢ ዝተተሓሓዘ ስለ ዝኾነ፡ ንሕና ንደቂ ሰባት ካብ ምህናጽ ሓሊፍና ኣንጻር መንግስትን ሃገርን ኮይና ኣይንፈልጥን ኢና\" ምባሎም ዝዝከር ኢዩ። እዚ ናይ ሕጂ ተግባር፡ ከምቲ ስርዓት ደርጊ ብ1982 ዓ\/ም ኣብ ልዕሊ እተን ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝመሓደራ ዝነበራ፡ ከም ካምቦኒ፡ ላሳለን ቅድስቲ ሃናን ዝኣመሰላ ዘካየዶ ናይ ምህጋር ተግባር ከምዝርእዮ እቲ ጉባኤ ገሊጹ ነይሩ። እታ ቤተክርስትያን፡ ነቲ ብደርግ ዝተወረሰ ኣብያተ ትምህርቲ ክምለሰላ ክትሓትት እያ ጸኒሓ። \"እንተኾነ፤ ይትረፍ እቲ ቀደም ብደርጊ ዝተሃገረ፡ እቲ ብድሕሪኡ እውን ክሰርሕ ዝጸንሐ ትካላት ብመንግስቲ ይውረስ ብምህላው\" ቅሬታ ከምዝፈጥረሎም ሓደ ስሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ሓደ ካህን ንቢቢሲ ተዛሪቦም። መንግስቲ ኤርትራ ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝመሓደራ ማእከላት ጥዕና ድሕሪ ምህጋሩ፡ ብዙሕ ነቐፌታት ቀሪብዎ እዩ። ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ዳኔላ ክራቨዝ፡ እቲ ተግባር \"ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ለውጢ ከምዘይብሉ\" ዘርኢ ፍጻመ እዩ ኢላ ነይራ። መንግስቲ ኤርትራ ግን እቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ሕጋዊ ምዃኑ ዘብርህ መገለጺ ከምዘውጸአ ይዝከር። ኣብ መግለጺኡ \"ሃይማኖታዊ ትካላት ኣብ ዝመረጽዎ ቦታ ልምዓታዊ ንጥፈታት ከሳልጡ ኣይፍቀደሎምን፡ ምኽንያቱ ድማ ተኸተልቲ ናይቲ ትካል ዘይኮኑ ሰባት ዘግልል ክኸውን ስለዝኽእል\" ኢሉ ነይሩ።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/49563107"} {"headline":"ቡርኪና ፋሶ፡ : ኣብ ቤተ ክርስትያን ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ብውሕዱ 14 ተቐቲሎም","content":"ኣብ ቡርኪና ፋሶ ዕጡቓት ኣብ ቤተክርስተያን ብዝኸፈትዎ ቶኵሲ ብውሕዱ 14 ሰባት ተቐቲሎም። እቶም ግዳያት ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ቡርኪና ፋሶ እትርከብ ሃንታኮራ እትብሃል ከተማ ናይ ሰንበት ጸሎት እናኣዕረጉ እንከለዉ እዮም ተቐቲሎም። መንነት እቶም ቐተልትን ንምንታይ ነዚ ተግባር ከም ዝፈጸምዎን ገና ኣብ ምጽራይ ከምዘሎ ሰብ መዚ እታ ሃገር ይሕብሩ። ሃገረ ቡርኪናፋሶ ብፍላይ ኣብቲ ምስ ማሊ ዘዳወብ ከባቢ፡ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዜጋታት እታ ሃገር ክቕተሉ ጸኒሖም እዮም። ነዚ ኸኣ ኣብቲ ከባቢ ዝነቀሳቐስ ጅሃዳዊ ጉጅለ ከም ዝፈጸሞ'ዩ ዝእመን። ካብ ናይቲ ዞባ ሰብ መዚ ዝወጽአ መግለጺ ከም ዘመላኽቶ፡ በቲ መጥቓዕቲ ብዙሓት ሰባት ቆሲሎም ኣለዉ። ሓለፍቲ ጸጥታ ቡርኪናፋሶ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ካብቶም ዝተቐተሉ፡ ቀሺ ናይቲ ቤትክርስትያንን ህጻናትን ከም ዝርከብዎም ሓቢሮም። ዘይተረጋገጹ ምንጭታት'ውን እቶም ኣብቲ ቤተክርስትያን መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ብላምብሬታ(ባጃጅ) ከም ዝሃደሙ ይሕብሩ። ዝሓለፈ ወርሒ ጥቕምቲ'ውን ኣብ ተመሳሳሊ ከባቢ ኣብ መስጊድ ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ 15 ሰባት ምማቶምን ክልተ ብኸቢድ ምቁሳሎምን ዝዝከር'ዩ። ኣብ ቡርኪናፋሶ ካብ 2015 ብጅሃዳዊ ጉጅለ ዝፍጸም መጥቓዕትታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሓየለ ብምምጽኡ፡ ሓያለ ኣብያተ ትምህርቲ ንኽዕጸዋ ተገዲደን'የን።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50626041"} {"headline":"ከልቢ ሒዛ ናብ መስጊድ ዝኣተወት ጓል ኣንስተይቲ","content":"ከልቢ ሒዛ ናብ መስጊድ ዝኣተወት ኢንዶኔዢያዊት ብግህሰት ክብረት ሃይማኖት ካብ ማእስረትን ፍርድን ምሕረት ተገይሩላ። ኢንዶኒዥያውያን፡ ሱዜት ማርጋሬት ናይ ዝተባህለት ጓለንስተይቲ ከልባ ኣምሪሓ ምስ ጫማኣ ናብ መስጊድ ክትኣቱ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብበዝሒ ዘርጊሖምዎ። ተግባር ማርጋሬት ድማ ንብዙሓት ሰዓብቲ እቲ እምነት ኣቖጢዑ እዩ። ኣኽልብቲ፡ ብሰዓብቲ እምነት ምስልምና ከም ረሳሕን ሕማቕ ፍጥረትን እዮም ዝቑጸሩ። እቶም ኣብ ልዕሊ ማርጋሬት ዝቐረበ ክሲ መርሚሮም ውሳነ ክህቡ ዝተሰየሙ ዳያኑ ግና ብጥዕና እታ ተኸሳሲት ተጠራጢሮም። እዚ ብርክት ዝበሉ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተቐባበሉሉ ምስሊ ማርጋሬት፡ ተኸታሊት እምነት ካቶሊኽ ምዃና ይጠቅስ። ጫምኣ ከየወጽአት ምስ ከልባ ናብቲ መስጊድ ምስ ኣተወት፡ በዓል ቤታ ኣብቲ መስጊድ መርዓ ክፍጽም ቆጸራ ከም ዝሓዘ ብሕርቃን ትዛረብ ነይራ። በዓል ቤታ ሃይማኖቱ ናብ ምስልምና ብምቕያሩ ነቲ መስጊድ ዝወቐሰት ማርጋሬት፡ ካብቲ መስጊድ ክትወጽእ ንዝሓተታ ዋርድያ ክትሃርሞ ፈቲና'ያ። መራሕቲ እቲ መስጊድ ግን፡ እቲ ብዛዕባ እቲ ማርጋሬት ሽሙ እናልዓለት እትዛረበሉ ዘላ ሰብ ይኹን ብዛዕባ እቲ ክፍጸም'ዩ ዝተብሃለ ስነ ስርዓት መርዓ ዝፈልጥዎ ነገር ከም ዘይብሎም ተዛሪቦም። ተግባር ማርጋሬት ብውሑድ ንሸሞንተ ወርሒ ማእሰርቲ ከቕጽዓ ዝኽእል'ኳ እንተነበረ፡ ናይ ኣእምሮ ጸገም ከም ዘለዋ ስለዝተረጋጊጸ፡ ዳያኑ ብነጻ ኣሰናቢቶምዋ።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51390256"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ \"ከም ኣማኒ ኣብ ገዛ ኾይንካ ምጽላይ ኣይርድአካን\"","content":"ምስ ሃይማኖት ጥቡቕ ምትእስሳር ዘለዎ ሕብረሰተብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ካብ ዝኾነ መዓት ብጾምን ጸሎትን፣ ብስግደትን ሱባኤን ፈውስን ምሕረትን ከም ዝርከብ ይኣምን። ሕማማት ኮነ ካልኦት ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ምስ ዝኽሰቱ፣ ስግኣት ኲናትን ስደትን ምስ ዝበዝሕ፡ በቲ ንዘመናት ዝሰረቶ ማሕበራዊ እምነቱ ዝገልጸሉ ምህለላ፣ ዝክር ዝኣምኖም መላእኽትን ነዊሕ ሰዓታት ዝወስድ ጾምን ቅዳሴን ብምክፋልን ክዓግቶ ይትስፎ። ብፍላይ ኣዋርሕ መጋቢትን ሚያዝያን፡ ንኣመንቲ ክርስትና ፍሉይ ቦታ . . . ረዚን ትርጉም ኣለወን። ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን፡ ናይ 'ዓብዪ ጾም' ወይ 'ጾም ኣርብዓ' ኣዋርሕ ኢላ ኣብ እተኽብረን፣ ምእመናን ብጾምን ስግደትን ናብ እግዚኣብሄር ክቐርቡ፣ ኣብ ኣጸድ ቤተክርስቲያን ክእከቡ እያ ትደልዮም። ሕጂ ግን፡ ዓበይቲ ምትእኽካብ ሰባት ነቲ ዘሎ ኩነታት ከኽብዱዎ ይኽእሉ'ዮም ተባሂሉ ስለ ዝስጋእ፡ ንግዝኡ እምነቶም ብልቢ ገይሮም ናብ ፈጣሪኦም ክጽልዩ እምበር ብብዝሒ ክንቀሳቐሱ ወይ ተኣኪቦም ከምልኹ ኣይተባባዕን። እዚ ብምኽንያት ፖለቲካ ዝመጽአ ዘይኮነ፡ ብባህሪኡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ኲናት ኣዊጁ ብዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝፈጥሮ ዘሎ ጽልዋ ብምኽባዱ'ዩ። ኣብ ዓለም ኣዝዮም ብዙሓት ፍሉጣት ዝኾኑ ሕማማት ብመልክዕ ለበዳ ተራእዮም፤ ፈውሲ እንትርከቦም ድማ ጠፊኦም። ብ1980ን ዝጠፍአ ተመሓላላፍን ቐታልን ሕማም በዲዶ (Smallpox)፡ ሓደ ካብቶም ዘሰንብዱን ስግኣት ዓለም ዝኾኑን ቫይረሳት ነይሩ። እዚ ቫይረስ ኣብ እዋን ኲናት ፈረንሳን ህንድን [1754-1767]፡ ከም ባዮሎጂያዊ ኣጽዋር ተገይሩ ተወሲዱ'ውን ይፈልጥ። እዚ ቫይረስ ካብ ምድረ ገጽ ጠቕሊሉ ቅድሚ ምጥፍኡ 300 ሚሊዮን ሰባት ኣጥቂዑ'ዩ። ሕማም ኤችኣይቪ ኤድስ፣ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝተርኣየ ኢቦላን ካልኦትን ክጥቀሱ ዝኽእሉ፡ ልክዕ ከም ኮቪድ-19 ብቫይረስ ዝመሓላለፉ ሕማማት'ዮም። እዞም ሕማማት ኣብ ዝተርኣይሉ እዋን ግን፡ ተኣኪብኻ ምምላኽ ኮነ ምምህላል ገቲኦም ኣይፈልጡን። ብኣንጻሩ ራብዓይ ወርሑ ዝሕዝ ዘሎ ኮቪድ-19 ዝብል መጸውዒ ዝተውሃቦ ሕማም ግን፡ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ዓይነት ክታበት ኣይተረኽቦን። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ዳርጋ ኣንጻር ኩሎም ማሕበራዊ ምትእስሳራት ዝዘመተ ክመስል፡ ንብዙሓት ልሙዳት ተግባራት ደቂ ሰባት ደው ኣቢሉዎምን ደው ክብሉን የገድድ ኣሎ። ነባሪት ከተማ መቐለ ጓል 53 ዓመት ወይዘሮ ለምለም ጸጋይ፡ ኣብ መስርዕ ነዚ ቫይረስ ተቓላዒ ዝኾነ ዕድመ ይርከባ። መዓልታዊ ኢድካ ብማይን ሳሙናን ምሕጻብ፣ ኣብ እተሐንጥሰሉ ወይ እትስዕለሉ እዋን ጥንቃቐ ምግባር ዝብሉ መከላኸሊ መገዲታት ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ምቕባል ኣየጸገመንን። ክውሓጠለን ዘይኽኣለ ሓደ ነገር ግን ሰብ ብብዝሒ ዝርከበሉ ቦታ ስለ ዝኾነ 'ናብ ቤተኽርስቲያን ኣይትኺዱ' ዝብል ጊዝያዊ ውሳነ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያን መንግስትን እዩ። \"ከምዚ ዝበለ ጥፍኣት ዓለም መጺኡና ኣብ ክንዲ ተኣኪብና ንጸሊ፣ ምሕረት ንለምን ዝብሉታስ፡ ኣብ ገዛኹም ኾፍ በሉ ኢልካ ምኽልኻል ታይ ማለት'ዩ? ጸሎት ኣብ እነጽዕቐሉ፣ እንምህለሉ ግዘ ከም ዘለና'ዶ ረሲዖማቶ?\" እየን ዝብላ። ወሲኸን፡ \"ክሳብ ሕዚ ዝሓለወና ኣምላኽ'ዶ ሐዚ ከየጥፍአና? እዚ ግዘ ከም ምሕላፉ ክሓልፍ'ዩ፤ ብጸሎት ድማ\" ይብላ። እዚ፡ ኣብ ልቢ መብዛሕቲኡ ኣማኒ ዘሎ ዝንባለ እዩ። ብ24 መጋቢት 2020 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤተክርስቲያን ቦሌ መድሃኒኣለም፡ ካህናት ቤተክርስቲያንን ህዝብን ተኣኪቦም፤ ኮሮናቫይረስ ንምጥፋእ፣ ሰባት በዚ ቫይረስ ከይልከፉን ከይሞቱን ብዝብል ነታ ከተማ ዕጣን ቤተክርስቲያን ብምዕጣን ጸሎት ገይሮም። 'ኢትዮጵያ ታበጽህ እደዊሃ ኀበ እግዚአብሔር' ገዳማት፣ ሃይማኖታዊ በዓላት፣ ውቅር ኣብያተ ክርስቲያን መሳጊድን፡ እቶም ቀንዲ መስሕብ በጻሕቲ ዓዲ ኢትዮጵያ እዮም። ኣብ ትግራይ ጥራሕ፡ ልዕሊ ሓደ ሚኢቲ ውቅር ኣብያተ ክርስቲያን ጥንታዊ ገዳማትን ኣለዉ ተባሂሉ ይእመን። ብዙሓት ተመራመርትን በጻሕቲ ዓድን እንተኽኢሎም ክድህስሱዎን ክርእዩዎም ዝምነዩዎ፡ 'ጽላት ቅድስቲ ማርያም' እውን 'ቅድስቲ ከተማና' ኢሎም ኣብ ዘኽብሩዋ መንበር እዚ ጽላት ኣብ ዝኾነት ከተማ ኣኽሱም ይርከብ። ዋላ ሓደ ሰብ ግን ፈጺሙ ነዚ ጽላት ክርኢ ኣይፍቀደሉን። እታ ሃገር፡ ካብ ሃገሮም ተሰዲዶም ንዝመጽኡ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ተቐቢላ ምትእንጋዳ እተመስክረሉ ዓብዪ መስጊድ ኣልነጃሺ'ውን ኣለዋ። ስለዚ መብዛሕትኡ ሕብረሰተብ እዛ ሃገር፡ ዓለም ዘጥፍእ ሕማቕ ግዘ'ውን እንተመጽአ፡ ኢትዮጵያ ኢዳ ናብ እግዚኣብሄር እያ እትዝርግሕ ኢሉ ይኣምን። ኩሉ በብእምነቱ፡ ኣብ መርዓን ተስካርን፣ በዓላትን ድግሳትን ምርኻብ ጥራሕ ዘይኮነ ሓደ ዓይነት ዝገብሮ፤ ኩሎም ሃይማኖታዊ ኣምልኾታቱ ብሕብረት ዝፍጸሙን ዝሳለጡን ምዃኖም'ውን እዩ። ምክትል ኣመሓዳሪ ርእሰ ኣድባራት ወገዳማት ጽዮን ኣኽሱም፡ በኩረ ሊቃውንቲ ጎደፋ መርሃ፡ ንኮሮናቫይረስ 'መዓት እዚ ዘመን' ኢሎም ይጽውዑዎ። ምኽንያት እዚ መዓት ይብሉ፡ \"ኣይትስረቑ እንትብለና ስለ ንሰርቕ፣ ኣይትዘሙው እንትብለና ስለ ንዝሙ፣ ምሕደራ ጎዲሉ ፍትሒ ስለ ዝተስኣነ፣ ሰብ ከም ሰብ ክብሪ ስኢኑ እናተቐጥቐጠ፣ ኣብ ዕንጸይቲ እናተሰቐለ፣ ንብረቱ እናተዘረፈ እናርኣና፡ ሰብ ሓዚኑ፤ ሰብ ክሓዝን ከሎ እግዚኣብሄር ክሓዝን ግድን እዩ። ከምዚ ዓይነት ክበዝሕ እንከሎ ኸኣ መከራ እዩ ዝሰድድ\"። ቤተክርስቲያን ከም እትብሎ፡ ግብሪ ሰብ እንትሓምቕ ፈጣሪ ቑጥዕኡ ብውሑጅ፣ ካልእ ግዘ ብኣንበጣ፣ ሓደ ግዘ ብባርኖስ፣ ካልእ ግዘ ድማ ኲናት ወይ ብሕማም እዩ ዝገልጽ። ከም እምነት በኩረ ሊቃውንቲ ጎደፋ መርሃ፡ \"ከምዚ ዝበለ መዓት ከጋጥም ከሎ ህዝበ ክርስቲያን ንስሐ ኣትዩ፣ ብንብዓት፣ ጾምን ጸሎትን ንእግዝሄር ይቕሬታ እንትሓትት'ዩ መፍትሒ ዝመጽእ፤ ነዚ ሕማም ግን ማዕዳ ሓካይም'ውን ክስማዕ ኣለዎ\"። መገዲታት ምክልኻል ምልባዕ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ቀለልቲ እዮም። ብቐንዱ፡ ኢድካ በብግዚኡ ብግቡእ ብምሕጻብ ጽርየትካ ምሕላው፣ ንሰላምታ ኢድ ንኢድ ዘይምጭብባጥ፣ ምትእኽኻባት ምጉዳልን ምውጋድን ጥራሕ እዮም። እዚ ኩሉ ሕብረተሰብ ተቐቢሉ ከተግብሮ ከም ዘለዎ ዝገልጹ በኩረ ሊቃውንቲ ጎደፋ መርሃ፡ \"ኢድካ ምሕጻብ'ኮ ናይ ቤተክርስቲያንና እዩ፤ ጽሬት ትፈቱ እያ። ንጹህ ልቦና፣ ንጹእ ኣእሚሮ፣ ክዳን፣ እግርን ኢድን እምበር ዝረስሐ ነገር ኣይትደልን። ስለዚ እዚ ክነኽብሮ ይግባእ\" ይብሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ካልእ ብዙሕ ሰዓብቲ ዘለውዎ ሃይማኖት እስልምና እዩ። ኣመንቲ፡ እዚ ለበዳ ክሳዕ ዝሓልፍ ድማ፡ ዕለተ ዓርቢ ዝካየድ ስግዳን ጅምዓት ሓዊሱ ሰብ ዝእከበሎም ሃይማኖታዊ ፍጻሜታት ንግዚኡ ደው ክብሉ ምምሕዳር ጉዳያት እስልምና ኣዚዙ ኣሎ። \"ከም ኣማኒ ኣብ ገዛ ኾይንካ ምጽላይ ኣይርድአካን\" ዝብሉ ጸሓፊ ጉዳያት እስልምና ትግራይ: ሓጂ መሓመድ ካሕሳይ መሓመድ፡ \"ግን ኣማኒ ወይ እምነት ክህልው አንተኾይኖም እቱ ሰብ ክህሉ ኣለዎ\" ብማለት እቲ ውሳነ ልክዕ ምዃኑ ይዛረቡ። እስልምና ይኹን ኻልኦት እምነታት ቐጻሊ ደው ኢለን ዝኸዳ፡ እቲ ዘጽልልኦ ሰብ ብህይወት ምስ ዝነብር ከም ዝኾነ ዝዛረቡ ሓጂ መሓመድ፡ ኩሉ ሰብ ነዞም ውሳነታት እምነትኩም ሕደጉ ዘይኮነ ንከይትሓሙ ንግዝኡ ኣይትተኣከቡ ዝብሉ ምዃኖም ክርድኦ ኣለዎ ይብሉ። \"ቅድሚ እዚ ሕማም መስጊድ ምዃድ ዝኽልኽለና ኣይነበረን፡ ግን ድማ ሃንደበት ለበዳ ተኸሲቱ። ሓቂ'ዩ በዚ ምኽንያት ኣይትኺድ ክትበሃል ከለኻ ይስምዓካ'ዩ። በትሪ ሒዙ ዝኸይድ ዝነበረ እታ በትሪ እንተስኢኑዋ ተጎምቢሑ'ውን ክኸድ ይኽእል እዩ። ''ግን ካብዚ ለበዳ ክንድሕን እንተኾይንና፡ መድሓኒታ ምርሕሓቕን ምሕጻብን እንተኾይና ንሳ ክንገብር ኣለና። ሰብ ንምንታይ መጥባሕቲ ይገብር? ደልዩ ኣይኮነን መድሓኒታ ንሳ ስለ ዝኾነት እያ\" ኢሎም የገንዝቡ። መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ከምዚ እንተበሉ'ውን፡ ከም ወይዘሮ ለምለም ዝበሉ ገለ ምእመናን ግን፡ እዚ ግዘ ኣብ ገዛ ኾፍ ዘብል ኮይኑ ኣይወርደሎምን። ኢትዮጵያ ፈላማይ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ከም ዝረኸበት ካብ ዝገለጸትሉ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ ቀረባ መዓልታት፡ ሕብረሰተብ ክገብሮ ዝግባእ ጥንቃቐ ኣመልኪቱ ዝተመሓላለፈሉ መምርሒ ኣብ ምትግባር ንኡድ ኣይነበረን። ፕሬዝደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ነዚ ምዝንጋዓት ነቒፋቶ ምንባራ ይዝከር። ፕሬዝደንት ታንዛኒያ ጆን ማጉፉሊ፡ ሃገሩ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ኣብ ዝወደሰቶም ስጉምታት፡ ህዝባዊ ምትእኽኻባት ደው ከብሉ እንተኣዘዘ'ውን፡ ኣብያተ እምነት ግን \"ሓቀኛ ድሕነት\" ዝርከበሎም ቦታታት'ዮም\" ብማለት ክፉታት ክኾና ፈቒዱ'ዩ። ገለ ምስ ሃይማኖቶም ጥቡቕ ምትእስሳር ዘለዎም ሰባት'ውን፡ ከምዚኣ ክትኾነሎም'ዮም ዝደልዩ። \"ናብ ፈጣሪና ክንመጽእ ከለና በይንና ኾይንና ክንመጽእ እዩ ዝግባእ፡ ኣብ ጎንኻ ሰብ እንተሃሊዩ ክተውግዕ፣ ሰብ'ውን ክትሓሚ ትኽእል። ስለዚ ምትእኽኻብ ኣየድልን\" ዝብሉ በኩረ ሊቃውንቲ መርሃ ጎደፋ፡ ነዛ ቀጣን ግዘ ምስጋር ዝከኣል ሓካይም ዝህቡዎ ማዕዳ ብምቕባል እዩ ኢሎም። \"ኣብ ዓለም፡ ባህታዊ ይኹን ቀሺ ዋላ ካልእ፡ ኩሉ ናብ ሕክምና ከይከደ ዝነበረ የለን። ስለዚ ሽኮር ኣለኒ፣ ጸቕጢ ደም ወይ ኩሊት ኣለኒ ዝብል እግዚኣብሄር ነጊሩዎ ዘይኮነ ሓኪም ነጊሩዎ እዩ። እዚ ግበር እዚ ክኣ ኣይትግበር ይብሎ፡ ብኡ መሰረት ክኣ ይጉዓዝ። . . . ሐዚ'ውን ንሳ እያ ትበሃል ዘላ። ሓኪም ኮሮናቫይረስ መድሓኒቱ ምስ ሰብ ዘይምርኻብ፣ ንጽህናኻ ምሕላው'ዩ እንተይሉካ ግድን እዚ ክግበር ኣለዎ። ስለዚ ምስ ሃይማኖት ተጻብኦ ዘለዎ ነገር ኣይኮነን\" ብማለት ምትህልላኽ ከም ዘየድሊ የገንዝቡ። መንግስቲ ትግራይ፡ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምዕጋት ከከም ኣድላይነቱ ክናዋሕ ዝኽእል ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዘ ኣዊጁ ተግባራዊ ምዃን ካብ ዝጅምር ሸውዓተ መዓልቲ ኮይኑዎ። እዚ ኣዋጅ፡ ልዕሊ 10 ሰብ ዝርከበሎም ምትእኽኻባት ዝሓውስ በብግዝኡ ምዕባለታት ዘርእይ ኽልኸላታት ዝሓዘ እዩ። ግን ድማ፡ ከም ምህለላ ዝበሉ ዓበይቲ ምትእኽኻባት ከመይ ደው ክብሉ ይግባእ ኣብ ዝብል ዘዕግብ ግንዛበ ናይ ምዕባይ ስራሕቲ ብዘይምስርሑ፡ እቲ ሰብ ዝተኸፋፈለ ስምዒት፣ ገሊኡ ድማ 'ህልኽ' ዝመስል ነገራት ክገብር ከም ዝዕዘብ፡ ሓደ ሽሙ ክንጠቕሶ ዘየፍቀደልና ወሃቢ ርኢይቶ ይዛረብ። \"ስለ ዝተጠንቀቕኻን ስለ ዝኣመንካን ትድሕን ኢኻ። ብዘይ ዝኾነ መረዳእታ ሓደ ቤተክርስቲያን ኣይትኺድ ዝብለኒ እንተኸይኑ፡ ኣብ ውልቃዊ መሰለይ ምእታው ክኾነኒ'ዩ። እንተኾነ ንባዕልና ክንብል ጥንቃቐ ክንገብር ስለ ዘለና፡ እቲ ውሳነ እቕበሎ\" ይብል። ከም ናቱ ትዕዝብቲ እንተኾይኑ፡ መንግስቲ ብናይ ባዕሉ መሓውራት ተጠቒሙ ጸቕጢ ከሕድር እንትፍትን፡ ሰብ እዚ ሕማም ኣስጋኢ ምዃኑ እናፈለጠ'ውን ናብ ህልኽ ክኣቱ ከም ዝርእዮ ይዛረብ። \"ዝግደስ መንግስቲ መጺኡ ክሳዕ ንብል፡ መንግስቲ እዚ ሕማም ንምቁጽጻር ዓብዪ ጻዕሪ ይገብር ኣሎ። ግን ናይ ሰባት እምነት'ውን ክኽበር ኣለዎ፤ ቤተክርስቲያን እተሕልፎ ዘላ መልእኽቲ ሰብ ይቕበል እዩ ዘሎ፤ እቲ ጸገም መንግስቲ ብኻልእ መገዲ ኣቢሉ ጽልዋ ከሕድር እንትፍትን'ዩ። ኣብ ዝኾነ እዋን እምነት የድሕን'ዩ፤ ዘይምጥንቃቕ ግን ይቐትል እዩ፤ ክንጥንቀቕ ኣለና\" ኢሉ።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52137636"} {"headline":"ምድረ-ዓረብ ብሒደት ሰሌዳታት- ኣዕራብ ንሃይማኖት ሕቘኦም’ዶ ይህብዎ ኣለዉ?","content":"ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣዕራብ ከም ቀደም ሃይማኖተኛታት ኣይኰናን ይብሉ ከም ዘሎዉ በቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ዝተኻየደ ዓሚቝን ሰፊሕን ድህሰሳ (survey) ተረጋጊጹ። ሓደ-ሓደ ካብ'ቶም ዝተረኽቡ ዉጽኢታት: ማለት ብብርክት ዝበሉ ዛዕባታት፡ ኣዕራብ ከመይ ከም ዝስምዖም ክንፈልጥ ተኻኢሉ ኣሎ፣ ከም መሰላት ደቂ ኣንስትዮ፡ ፍልሰት፡ ጸጥታ ዀነ ወሲባውነት ዝኣመሱ ዛዕባታት። ምስ ልዕሊ 25,000 ዝብዝሖም ሰባት ቃለ-መሕትት ብምክያድ'ዩ እቲ ድህሰሳ ብናብያ ቢ.ቢ.ሲ. ዓረብኛን ምስ ባሮሜትር-ዓረብን (Arab Barometer research network) ብምትሕብባር እቲ መጽናዕቲ ተኻዪዱ። እቲ መጽናዕቲ ኣብ 10 ሃገራት፡ ከምኡ'ውን ግዝኣት ፍልስጢኤም ካብ 2018 - 2019 ኢዩ ተኻዪዱ። እቶም ዝተረኽቡ ውጽኢታት ከኣ እንሄዉ ... ካብ 2013 እቲ ቍጽሪ ናይ'ቶም ኣብ'ዚ ዞባ \"ሃይማኖተኛታት ኣይኰናን\" ዝብሉ ሰባት ካብ 8% ናብ 13% ክብ ኢሉ ይርከብ። እቲ ወሰኽ ብዝያዳ ኣብ'ቶም ካብ 30 ዝትሕት ዕድሚኦም ኢዩ ተኸሲቱ - እቲ መጽናዕቲ ከም ዘርእዮ ካብኣታቶም 18% \"ሃይማኖተኛታት ኣይኰናን\" ይብሉ። ኣብ የመን ጥራይ'ዩ እቲ ውጽኢት ኣንጻር ከይዱ። መብዝሕትኦም ነበርቲ ናይቲ ዞባ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምምራሕ ሃገር - ከም ፕረሲደንት ወይከኣ ቀዳመይቲ ሚኒስተር - ንክዋስኣ ይድግፉ። ኣብ ኣልጀርያ ግን እቲ ሓሳብ ደገፍ ኣይረኸበን - ካብ 50% ለጠቕ ይብል። ኣብ ጕዳይ ናብራ ዉሽጢ-ገዛ ግን በቶም ንቤተ-ሰብ ዝትንክፉ ዉሳኔታት ኣብ ኢድ ደቂ ተባዕትዮ ክተርፍ ኣሎዎ ዝበሉ ይበዝሑ - ዋላ ደቂ ኣንስትዮ ባዕላተን ዝሰማማዓሉ ኰይኑ ተረኺቡ። ኣብ ሞሮኮ ጥራይ ዝተፈልየ ዉጽኢት ኣርእዩ። ኣብ'ቲ ዞባ ተቐባልነት ግብረሰዶም ርክባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ'ምበር ኣብ ኵሉ ለጠቕ ዝበለ'ዩ። ኣብ ሊብናን ዋላ'ኳ ማሕበራዊ ናብርኦም ሊበራል ይዅን ተቐባልነቱ ዝወሓደ'ዩ - 6% ጥራይ። \"ንያታዊ ቅትለት\" (honour killing) ክበሃል ከሎ ሓደ ዘመድ ንሓደ ኣባል ቤተ-ሰብ (መብዝሕትኡ ጊዜ ጓል ኣንስተይቲ) 'ስም ቤተ-ሰብና ኣብ ዉርደት ኣእቲኻዮ\/ኣቲኽዮ' ብማለት ቅትለት ምስ ዝፍጸም'ዩ። ኣብ ኵለን ሃገራት በቲ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ማእከላይ ምብራቕ ዘንበሮ ፖሊሲታት መሰረት ብምግባር ዝተሓተ ቦታ ሂቦምዎ። ብመንጽሩ ልዕሊ ፍርቂ ናይ'ተን ሸውዓተ ሃገራት (ካብ'ተን ዓሰርተ-ሓደ) ንናይ ረቸፕ ጣይብ አርዶጋን ፖሊሲታት ይመርጻ። ሊብናን፡ ሊብያ፡ ከምኡ'ውን ግብጺ ንናይ ቭላድሚር ፑቲን ፖሊሲታት ከም ዝመርጻ (ካብ ናይ አርዶጋን) ሓቢረን። እቲ ድህሰሳ ሚእቲ ብሚእቲ ተኻይዱ ምባል የሸግር፣ ምኽንያቱ ቅ`ጽሪ ናይ'ቶም 'ኣይፈልጥን' ወይከኣ 'መልሲ የብለይን' ዝበሉ ኣብ ግምት ስለዘይኣተወ። ጸጥታ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን እቲ ዝዓበየ ዘስግአን ጕዳይ'ዩ። እተን ሃገራት ምንጪ ናይ ምርግጋእ ምስኣንን ሃገራዊ ጸጥታ ምቍጽጻር ዘይምኽኣላን ክጠቕሳ ከለዋ እስራል ቀዳመይቲ፡ ሕ.መ.ኣ. ካልአይቲ፡ ኢራን ሳልሰይቲ ኰይነን ተረኺበን። እቲ ድህሰሳ ሚእቲ ብሚእቲ ተኻይዱ ምባል የሸግር፣ ምኽንያቱ ቅ`ጽሪ ናይ'ቶም 'ኣይፈልጥን' ወይከኣ 'መልሲ የብለይን' ዝበሉ ኣብ ግምት ስለዘይኣተወ እዚ መጽናዕቲ ብ\"ባሮሜትር-ዓረብ\" (Arab Barometer) ኢዩ ተኻዪዱ። እቲ ፕሮጀክት ን 25,407 ሰባት ገጽ-ንገጽ ብምውካስ'ዩ ነቲ መጽናዕቲ ኣብ ዓሰርተ ሃገራትን ግዝኣተ-ፍልስጥኤም ኣካዪዱ። \"ባሮሜትር-ዓረብ\" ኣብ ፕሪንስተን ዩኒቨርሲቲ ዝመደበሩ ናይ ምርምር መርበብ'ዩ። እቲ መጽናዕቲ ኣብ ሃገራት ኣዕራብ ጥራይ ተኻዪዱ - እስራኤልን ኢራንን ኣብ'ቲ ድህሰሳ እትዋት ኣይኰናን። ገሊአን ሃገራት ዓረብ (ሃገራት ወሽመጥ) ኣብቲ ድህሰሳ ክሳተፋ ኣይመረጻን፣ ናይ ኩዌት ድህሰሳ ግን ደንጕዩ ስለ ዝመጸ ኣብ ግምት ከይኣተወ ተሪፉ። ሶርያ፡ ብምኽንያት ኣብቲ ኣብቲ ሃገር ዘሎ ቅልውላው፡ ኣብቲ መጽናዕቲ ኣይኣተወትን።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49341032"} {"headline":"ሚእቲ ሚሊዮን ዶላር ዘውጽእ ትካል ኣስተንትኖ ዝውንን ፈላሲ ነበር","content":"እቲ ሓለቓ' [ዘ ቦስ] ዝተባህለት ተኸታታሊት ሰሙናዊ መደብ ቴለቪዥን ናይ ቢቢሲ፡ ሓጺር ታሪኽ ናይ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ትካላት ዓለምና እተቕርብ'ያ። ኣብ'ዚ ሰሙን'ዚ ድማ ነቶም ነቲ ሄድስፐይስ [Headspace] ዝተባህለ ናይ ኣስተንትኖ [መዲቴሽን] ኣፕ ብሓባር ዝመስረቱ ኣንዲ ፓዲኮምብን ሪቻርድ ፒየርሰንን ኣዘራሪባ'ላ። ተኸታተልቲ ዘሕዝኑ ፍጻመታት'ዮም ንፓዲኮምብ ናብ ፈጺሙ ዝተፈለየ መንገዲ ህይወት መሪሕዎ። ሓደ ዝሰኸረ ሰብ መኪና እናዘወረ እንከሎ መኪናኡ ስዒራቶ ኣብ ሓደ ባር ናይ ለንደን ጥሒሱ ብምእታው፡ ኣብኡ ተኣኪቦም ካብ ዝነበሩ ኣዕሩኽ ፓዲኮምብ ነቶም ክልተ ክቐትሎም እንከሎ፡ ፓዲኮምብ ወዲ 22 ዓመት እዩ ነይሩ። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ድማ ሓፍቱ ብሓደጋ ብሽግለታ ሞይታቶ። ጽንሕ ኢላ ድማ ናይ ቀደም ዓርኩ ዝነበረት ኣብ ሆስፒታል መጥባሕቲ ኣናተገብረላ እንከሎ ሞይታ። ኣንዲ ኣብ'ቲ እዋን'ቲ ብስነ-ፍልጠት ስፖርት ናይ ዲግሪ ትምህርቱ ይከታተል ነይሩ። በቲ ብርቱዕ ሓዘን ዝኣክል ግን ክቕጽል ስለዘይከኣለ ኣቋሪጽዎ። ፍጹም ዝተፈለየ መንገዲ ህይወት ንምርካብ ድማ ፈላሲ ናይ ሃይማኖት ቡድሃ ኮይኑ ንኽስልጥን ናብ እምባታት ሂማለያ ተጓዒዙ። እቶም ዝቐጸሉ ዓሰርተ ዓመታት ድማ ከም ፈላሲ ብምዃን ኣብ ምሉእ ኤስያ ተጓዒዙ። ኣብ መዓልቲ ክሳብ 16 ሰዓታት ዝኣክል ድማ ኣብ ሞያ ኣስተንትኖ ይዋፈር ነይሩ። እቲ ኣስተንትኖ ድማ ናብ ንቡር ህይወት ክምለስ ከም ዝሓገዞ ይዛረብ። \"ኣንፈተይ ክቕይር ሓጊዙኒ፡ ኣብ ነብሰይ ጥራይ ከድህብ ከምዘይብለይን፡ ንኻልኦት ሓጎስ ክፈጥርን ምሂሩኒ\" ይብል እቲ ሕጂ ወዲ 46 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ኣንዲ። ኣዕሩኽቱን ኣዝማዱን ግን ቁሩብ ሰምቢዶምን ተሻቒሎምን ነይሮም። \"እንታይ ክገብሩ ከምዝነበሮም'ውን ኣይፈለጡን፡ እንተኾነ ግን ክእመን ዘይከኣል ሓገዝን ምትብባዕን ገይሮምለይ'ዮም\" ድማ ይብል። ኣብ 2015፡ ኣንዲ ዋኒን ኣስተንትኖ ንምትካል ናብ ብሪጣኒያ ተመሊሱ መጺኡ፡ እንተኾነ ግን እዚ ሞያ'ዚ ኣብ ትውልዲ ዓዱ ተፈላጥነት ኣይነበሮን። \"ገለ ሰባት ንቛንቋ ኣስተንትኖ ኣይፈተውዎን፡ ወይ'ውን ከም ባህልን ወግዕን ሕብረተሰብ ዘይተኸተለ ነገር ገይሮም ይርእይዎ ነይሮም\" ኢሉ ንሱ። \"ኣዝዩ ዘይቅረብ'ዩ ነይሩ። ሰባት ድማ ንዕኡ ንምግባር ጊዜ ኣይነበሮምን፡ ወይ ከመይ ከም ዝግበር ኣይፈልጡን ነይሮም\"። ኣንዲ ሓንቲ ንእሽቶ ናይ ባዕሉ ዋኒን ኣብ ለንደን መስሪቱ ብድኻም ስራሕ ዓቕሞም ንዝጸንቀቑ ሞያውያን [ፕሮፌሽናልስ] እናመሃረ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ክሕግዞም ጀሚሩ። ሎሚ፡ ንሱን ወዲ 38 ዓመት ካልኣዩ ሪቻርድ ፒየርሰንን ነቲ ዛጊት ኣብ መላእ ዓለም 16 ሚሊዮን ጊዜ ተራጊፉ ዝተጻዕነን [ዳውንሎድ ተገይሩ ዘሎን] ዓመታዊ እቶቱ ድማ ልዕሊ 100 ሚሊዮን ዶላር ዝኾነ ሄድስፐይስ ዝተባህለ ህቡብ ኣፕ የመሓድሩ። ኣብ 2005፡ ሪቻርድ ሓደ ካብ'ቶም ኣብ ዋኒን ናይ ኣንዲ ክመሃሩ ቆጸራ ዝሓዙ ዝሰልከዮም ሞያውያን'ዩ ነይሩ። ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቱ ምስ ወድአ፡ ሪቻርድ ሓደ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ናይ መዋዓውዒ ትካል ክሰርሕ ጀሚሩ፡ ቀልጢፉ ድማ ነቲ መሳልል ናይ ሓላፍነት ደይብዎ ነይሩ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ህይወቱ ብዙሕ ሃስያ ኣውሪዱሉ። \"ንኣንዲ ኣብ ዝረኸብክሉ እዋን፡ ኣዝየ ዓቕሊ ኣጽቢበ ነይረ\" ይብል ሪቻርድ። \"ኣዝዩ በዳሂ ዝኾነ ቀጻሊ ማሕበራዊ ጭንቀት ነይሩኒ። ነቲ ዝነበረኑ ጸቕጢ ዘካፍለሉን ዘራግፈሉን ናይ ዕርክነት ጉጅለ ኣይነበረንን። \"ድሕሪ'ታ ናይ ፈለማ ክፍለ ጊዜ፡ ክንደይ ዝኣኽሉ ሓሳባት ኣብ ውሽጠይ ከምዝነበሩን ህይወተይ ክሳብ ክንደይ ጽሉል ምንባሩን ተረዲአ። ዘደስት ኮይኑ ድማ ረኺበዮን መንገዲ ከምዘሎ ድማ ተገንዚበ\" ይብል ሪቻርድ። ሓንሳብ ረብሓ ናይ'ቲ ኣስተንትኖ ምስ ተረድኦ ግን ነቲ ኣምር ንምልላይ\/ንምስፍሕፋሕ፡ ሪቻርድ ምስ ኣንዲ ብሽርክነት ሓቢሩ ኣብ ንግዲ ኽኣቱ ወሲኑ። \"ልክዕ ሞያ ከም ምልዋጥ'ዩ ነይሩ\" ይብል ሪቻርድ። \"ኣስተንትኖ ምሂሩኒ፡ ኣነ ኸኣ ንሱ ዝያዳ ክረኣየሉ ወይ ክፍለጠሉ ዝኽእለሉ ዕታር ዝኾኑ ሓሳባት ምሂዘሉ። ንበይኑ ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ተሓጺሩ ምንባሩ በቃ ውርደት\/ሕፍረት ኮይኑ ተሰሚዑኒ\"። ክሳብ 2010 ኣብ ዝነበረ እዋን ድማ ኣብ መላእ ብሪጣኒያ እናዞሩ ብዛዕባ ረብሓታት ኣስተንትኖ ምሂሮም፡ ናይ ጉጅለታት ኣስተምህሮ'ውን ኣካይዶም። ነቲ ዝረኸብዎ ገንዘብን ካብ ፈተውቲ ዝረኸብዎ ሓገዝን ሓዊሶም ድማ ኣብ'ቲ ዓመት'ቲ ነታ ቀዳመይቲ ስርሓት ናይ`ታ ኣፕ ምሂዞም፡ ተጠቀምቲ ድማ ካብ ሓያሎ ነናይ ዓሰርተ ደቒቕ መምሃሪ መምርሒታት ክመርጹ ይኽእሉ። ብዕድል ድማ ጋዜጣ ጋርዲያን ናይ ብሪጣኒያ ኣብ ኩሉ ቀዳም ሕታማ፡ ሓንቲ ናይ ሄድስፐይስ መላለዪ ጽሑፍ ክትውትፍ እንከላ፡ መንገዲ ኣየር ቪርጂን ኣትላንቲክ ድማ ኣብ መዘናግዒታት ናይ በረራታታ ብትእዛዝ ዝተሰርሐ መላለዪ ኣስተንትኖ ኣተኣታትያ። እዚ ድማ ንቑጽሪ ነቲ ኣፕ ዝጽዕኑ [ዳውንሎድ ዝገብሩ] ሰባት ኣዛይዱ። ኣብ`ዚ እዋን ንሓደ ምጽዓን 9.99 ፓውንድ ይኽፈሎ። \"ኣብ ጅማሮ ናይ`ቲ ንግዲ፡ ኩሎም`ቶም ቅድሚኡ ብገንዘብ ዝሕግዙና ዝነበሩ ሓገዞም ደው ስለ ዘበሉ ባዕልና ንባዕልና ኢና ንሕግዝ ኔርና። ስለ`ዚ ፈተውትና ሓገዝ ንኽገብሩልና ንሓቶም ኔርና፡ ኢሉ እቲ ድምጺ ናይ'ታ ኣፕ ዝኾነ ኣንዲ። \"ሓደ ካብ ፈተውትና ሓንቲ ናይ ድምጺ መቕድሒ ስቱዲዮ ብነጻ ሂቡና፡ ሓደ ካልእ ድማ ሃንቲ ቤት ጽሕፈት ብነጻ ሂቡና። ገለ ሰባት ብሓቂ ኣብ`ቲ ንገብሮ ዝነበርና ነገር ኣሚኖም፡ መጺኦም ንኽሕግዙና ድማ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታኦም ናይ ደሞዝ ምጉዳል ውሳነ ተቐቢሎም። ብታዕሚ ድማ ነመስግኖም ሕጂ\"። ኣብ 2013፡ ኣንዲን ሪቻርድን ነቲ ዋኒኖም ሒዞም ናብ`ታ ሕጂ መደበሮም ኮይና ዘላ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ናይ ኣሜሪካ ክግዕዙ ወሲኖም። \"ንለንደን ስለዝይፈተናያ ኣይኮንናን ግዒዝና\" ይብል ኣንዲ። \"ክልቴና ኣብ ካሊፎርኒያ ናይ ምንባር ሕልሚ ስለዝነበረና ናይ ደገ\/ግዳማዊ ምንቅስቓስ ዝበዝሖ ደረጃ መነባብሮ ስለ እንምነን ኢና መሪጽናያ፡ ምሕኳርን ኣብ ማይ ምንስፋፍን`ውን ንፈቱ ኢና፡ ተሰማሚዓትና ድማ\" ይብልንሱ። እታ ኣብ ፈለማ ብዝያዳ ንባዕላ ትምውል ዝነበረት ሄድስፐይስ፡ ነታ ኣፕን ነቲ ንግድን ንምስፋሕ ካብ 2014 ጀሚራ ወፍሪ ክትቅበል\/ምሻጥ ብርክታት ጀሚራ። ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ድማ 75 ሚሊዮን ዶላር ዝዋግኡ ናይ ደገ ምወላ ረኺባ፡ ኣንዲን ሪቻርድስን ግን ገና ነቲ ዝበዝሐ ብርክታት ይውንኑ። ዋላ'ኳ ኣብ ፈለማ ክልቲኦም ኣብ ኩሉ ምንቅስቓሳት ናይ'ቲ ዋኒን ይነጥፉ እንተነበሩ፡ ዋኒኖም ክዓብይ ምስ ጀመረ ግን በበይኑ ንጥፈታት ከካይዱ ጀሚሮም። ሪቻርድ ዋና ኣመሓዳሪ [ቺፍ ኤሰቹቲቭ] ኮይኑ ሓፈሻዊ ምሕደራ ናይ'ቲ ኩባንያን 300 ሰራሕተኛታቱን ተዋሂብዎ። ቀንዲ ተራ ናይ ኣንዲ ድማ ነታ ኣብ ምስፋሕን ድምጻ ምዃንን ኮይኑ ኣሎ። እዚ ተራ'ዚ ግን ይፍለጠሉ ድዩ? \"ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ይኹን ኣብ ሬስቶራንታት ሰባት ንድምጸይ የለልይዎ\" ይብል ንሱ። ሄድስፐይስ \"ንትርጉም ሰውራዊ መስተውዓልነት ኣብ ቦታ ዲጂታል መሪሓ`ያ\" ኢሉ ናይ ኣስ ተንትኖ መጻሕፍቲ ዝጽሕፍ ነይል ሰሊማን። \"ብልሂ ናይ ሄድስፐይስ ነቲ ከም መስተውዓልነት ኣስተንትኖ ዝበለ ከቢድን ደቂቕ ዝፍልልይነትን ዘለዎ ስራሕ ምምሃር ምግጣማን ክዋሓጡ ናብ ዝኽእሉ ዝደቐቑ ናይ ምስልን ድምጽን መረዳእታታት ምድቓቓን'ዩ\" ኢሉ ንሱ። \"ከም`ዚ ገይሮም ድማ`ዮም ነቲ ጽላት ለዊጦሞን ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋ ሰንጢቑ ከምዝኣቱን ገይሮሞ\" ድማ ይብል። ሄድስፐይስ ግን ኣፕ ጥራይ ኣይኮነትን። እቲ ኩባንያ ከም ጉግል፣ ሊንክዲን፣ ጀነራል ኤለትሪክን ዩኒለቨርን ዝኣመሰሉ ልዕሊ 300 ዓማዊል ኣለውዎ። ሄድስፐይስ ነዘን ኩባንያታት`ዚኣተን ሰራሕተኛታተንን ኣካየድተንን ኣስተንትኖ ክገብሩ ብምምሃር ይሕግዘን። ንሃርቫርድን ስታንፎርድ ሓዊስካ ድማ ምስ ኣሜሪካውያን ዩኒቨርሲታትን ንሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ብሪጣኒያን ኣብ ምምሃር ረብሓ ኣስተንትኖ ይተሓጋገዝ። ኣንዲ ዋላ'ኳ ከም ቀደሙ ን16 ሰዓታት ኣስተንትኖ እንተዘይገበረ፡ ገና ግን መዓልታዊ ኣስተንትኖ ይገብር። ሪቻርድ'ውን ንኣስተንትኖ ጊዜ ይፈሊ'ዩ። \"ክልቴና መዓልታዊ ኣስተንትኖ ንገብር ኢና\" ይብል ሪቻርድ። \"ብሓቂ ኣብ`ኡ ንኣምን ኢና፡ እዚ ድማ ነቲ ጉጅለ ሰራሕተኛታት ይኹን ኩሉ ነታ ኣፕ ዝጽዕን ሰብን ኣገዳሲ'ዩ\" ድማ ኢሉ።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49576510"} {"headline":"በዓል ፋሲካን ረመዳን ብኸመይ ክኽበሩ እዮም ?","content":"ብኣማኢት ሚልዮናት ሰዓብቲ ዘለወን፡ ዓበይቲ ሃይማኖታት ዓለም፡ ብዙሓት ኣመንተን ኣብ ሓደ ቦታ ተኣኪቦም ዘካይድዎ ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓት ዝፍፅማሉ ግዘ፡ ሒደት መዓልታት ይተርፎ። ለበዳ ኮሮናቫይረስ ስግኣት ዓለም ኣብ ዝኾነሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና፡ እዞም ሃይማኖታዊ ስርዓታት ብኸመይ ክፍፀሙ ይኽእሉ፡ ሕቶ ብዙሓት ኮይኑ ኣሎ። ዝመጽእ ሰምበት 12 ሚያዝያ 2020 ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ዝኽበር በዓል ፋሲካ እዩ። ብኣቆፃፅራ ኢትዮጵያውያን ድማ ሰምበት 11 ሚያዝያ 2012 እዩ ክኽበር። እዚ በዓል፡ እየሱስ ክርስቶስ ተሰቒሉ፣ ሞይቱ ዝተንሰአሉ ዕለት ዝዝከረሉ እዩ። ኣብ ዓርቢ ስቕለት ድማ፡ ስነ-ስርዓት ስግደት ይፍፀም። ቅድሚ ሕዚ፡ ኣመንቲ ኣብ ቀረብኦም ናብ ዝርከብ ቤተ-ክርስትያን ዝውሕዝሉ ግዘ ነይሩ። እዚ ኣብ ብዙሓት ከባብታት ዝፍፀም ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓት፡ ሎሚዘበን ኣይክህሉን'ዩ። ቅድሚ ዓርቢ ስቕለት፡ ኣብ ዕለተ ሓሙስ ድማ፡ ምእመናን ኣብ ዝተረኸብሉ፡ ካህናት እግሪ ይሓፅቡ፤ ቅዳሴ እውን ይቕደስ። ቀዳም ስዑር እውን፡ ሰባት ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዝእከብሉን ዝሓድርሉን ግዘ እዩ ነይሩ፡ ከምዚ ሎሚ ዓለም ብለበዳ ኮሮናቫይረስ እንከይተጨነቐት። ሕዚ፡ እዚ ኩሉ ሎሚ ዓመት ብኸመይ ክህሉ ይኽእል? ዝብል ዋላ እኳ ሕቶ ብዙሓት እንተኾነ፡ ኣብ ዘበነ ኮሮናቫይረስ ግና፡ እዚ ክኸውን እዩ ኢልካ ምሕሳብ ከቢድ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ዝምልከቶ ኣካል መልሲ ዝህበሉ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ኬንያ ግና፡ ምስዚ በዓል ዝዛመዱ ሃይማኖታዊ ስርዓታት ኩሎም ብመገዲ ኢንተርኔት እዮም ክፍፀሙ። ኣብ ከተማ ናይሮቢ ትነብር ካሮሊ፡ እዞም መንፈሳዊ ስርዓታት 'ዙም' ብዝተብሃለ መተግበሪ ስልኪ ክከታተሉ ከምዝሓሰበት ትዛረብ። \"ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ዕለተ ቀዳም፡ ለይቲ ዝህሉ ስነ-ስርዓት ቁርባን፡ ብሓሳብ ኢና ክንሳተፍ ንኽእል\" ትብል። ዋላ እኳ ኬንያ ከም ሓደ ሓደ ሃገራት ዓለም፡ ሙሉእ ንሙሉእ ህዝባዊ ምንቅስቓስ እንተዘይዓፀወት፡ ካብ ሰዓት 1፡00 (7፡00) ናይ ምሸት ግና ኣዋጅ እቶ እቶ ኣዊጃ እያ። \"ኣብ ናህትና ቤተ-ክርስትያን፡ 'ዙም' ዝበሃል መራኸቢ ብምጥቃም፡ መፅሓፍ ቅዱስ ነፅንዕ፡ ጸሎት'ውን ንገብር\" ትብል ካሮሊ፡ ኣብ ዘለቶ ቦታ ኮይና በዚ መተግበሪ ሞባይል ምጽላይ ዝፈጠረላ ስምዒት እንትትገልፅ፡ \"ብሓደ ወገን ፈተና እዩ። ብካልእ ወገን ከኣ፡ መራኸቢ ሜላ ተጠቒምና ካብ ዘለናሉ ናብ ኣምላኽና ክንቀርብ፣ ምስ ንፈትዎም ደቅና ኮይንና፡ ክንጽልይ ዕድል ሂቡና'ዩ\" ትብል ካሮሊ። ረመዳን ጾመ ረመዳን ንክኣቱ ኣስታት ክልተ ሰሙን ጥራሕ እዩ ዝተርፎ። እዚ ወርሒ፡ ብኣመንቲ እስልምና፡ ንነብዩ መሓመድ ቁርዓን ዝተገለፀሉ ከምዝኾነ እዩ ዝእመን። ኣብዚ ወርሒ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣመንቲ ምስልምና፡ ፀሓይ በሪቓ ክሳብ ትዓርብ፡ ካብ ዝኾነ ይኹን ምግብን መስተን ንባዕሎም ይዕቅቡ። ንፈጣሪኦም ድማ፡ ምሕረትን ይቕረታን ይልምኑ። ኩሉግዘ ምሸት ድማ፡ ጾሞም ንምስዓር፡ ምስ ቤተሰብን ፈተውቶምን ተኣኪቦም፡ ተምሪ፣ ሳምቡሳን ካልኦት ምግብታትን ይቋደሱ። ድሕሪ እዚ ድማ 'ተራዊህ' ተባሂሉ ንዝፅዋእ ሓባራዊ ጸሎት ንምፍፃም፡ ኣእጋር ብዙሓት ናብ መስጊድ ይውሕዛ። ኮሮናቫይረስ ንዓለም ኣጨንቑ፡ ማዕፆኣ ክትዓፁ ኣብ ዘገደደሉ እዋን ግና፡ እዚ ኩሉ ንምፍፃም ዘይሕሰብ እዩ። ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ሙስሊም ቴንት ፕሮጀክት ዝበሃል፡ ናይ ሙስሊም መናእሰይ ማሕበር ኣሎ። እዚ ማሕበር ነቲ ዘሎ ኩንትራት ኣብ ግምት ብምእታው ድማ፡ ሓደ ሓሳብ ኣበጊሱ ኣሎ። እዞም መናእሰይ፡ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዓበይቲ ኣደባባያት ለንደንን ትራፋልጋርን ዳስ ብምስራሕ፡ መርሃ-ግብሪ ኢፍጣር የዳልዉ ነይሮም። ዝኾነ እኹን ሓለፊ መገዲ ድማ፡ ናብቲ ዳስ ብምእታው፡ ካብ ዝቐረበ መኣዲ ክቋደስ ይኽእል ነይሩ። ኣብዚ ዓመት እዚ ግና፡ ክኸውን ኣይኽእልን፤ ኮሮናቫይረስ ኩሉ ዜጋ ዓለም ማዕፅኡ ዓፅዩ ኣብ ገዝኡ ኮፍ ክብል ስለዘገደደ። የግዳስ እዞም መናእሰይ፡ ነቲ በብዓመቱ ዘካይድዎ ዝነበሩ ኢፍጣር ብኢንተርኔት ከከይድዎ እዮም ዝሓስቡ ዘለዉ። 'ዙም' ዝተብሃለ መተግበሪ ሞባይል (ኣፕሊኬሽን) ድማ ነዚ ዕላማ ክውዕል እዩ። እዚ ማለት፡ ሰባት ገፅ ንገፅ እናተረኣኣዩ፡ ኣብ ዘለውዎ ኮይኖም ኢፍጣሮም ክቋደሱ ይኽእሉ እዮም። ድሕሪ ፀሓይ ምዕራባ ዝግበር ጸሎት (መቅሪብ) ድማ፡ ሰባት ሓቢሮም ብኢንተርኔት ከፍጥሩ ድማ ትፅቢት ይግበር።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52226984"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ \"ንሓደ እምነት ጥራሕ ጠጠው እንተኢለ፡ እግዚኣብሄር ዝሓዝን እዩ ዝመስለኒ\"","content":"መልኣከ ሕይወት ቆሞስ አባ አክሊለ ማርያም፡ ንክልቲኦም ቤተ እምነታት መስርሒ ዝኸውን ገንዘብ ክሓቱ ምስ ጀመሩ፡ ብዙሓት ሰዓብቲ እቶም እምነታት ከይገረሞም ኣይተረፈን። ንሶሞ ግን፤ እቲ ተግባር ኩሉ ኣማኒ ክኽተሎ ዝግባእ መንገዲ ከምዝኾነ እዮም ዝዛረቡ። ኣብ 2007 [ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ቁልቢ ገብርኤል ገዳም ክሳለሙ ናብ ሃረር ኣብ ዝኸድሉ እዋን፤ ኣብ ቀረብኡ ዝርከብ ላንጌ ቅዱሰ ራጉኤል ዝርከበሉ ኩነታት ተዓዚቦም። እቲ ነባሪ ናብርኡ ደርቆስቆስ ዝበለን ካብ ናብ ኣፍ ዝነብርን እዩ። እቶም ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ዘምልኽሉ ቤት ክርስትያን ድማ፤ ድኽምክም ኢሉ ክዓንው ዝበለ ኮይኑ ረኺቦምዎ። ድሕሪ እዚ ኣብኡ ተሪፎም ነቲ ቤተክርስትያን ከስርሑ ወሲኖም። ሓደ ዓመት ኣብ ዘይመልኦ ግዜ፤ ኣብ ልዕሊ 500 ትርብዒት ሜትሮ ዝሽፍን ህንጻ ብምጅማር፡ ሎሚ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት በጺሑ ኣሎ። ኣብቲ ጻንሒቶም ናይ ላንጌ ቢላል መስጊድ'ውን ምስረኣዩ ኣብ ምፍራስ ዝርከብ ኮይኑ ረኺቦምዎ። ንሰዓብቲ እስልምና ረኺቦም ድማ ከስርሑዎ ወሰኑ። ነቲ መስጊድ ከሕድስዎ ከምዝደልዩ ዝገልጽ ደብዳበ ናብ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ብምጽሓፎም ናይ ድጋፍ ደብዳበ ረኺቦም። ነቲ ደብዳበ ሒዞም ኣብ 2011 ካብ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ንሰረት ዝኸውን ገንዘብ ከምዝረኸቡ ይዛረቡ። ናይቲ መስጊድ ምድርቤት ተወዲኡ እዩ። ናይቲ ላዕለዋይ ደብሪ (ደርቢ) ስራሕ ንክቕጽል ድማ ተወሳኺ ድጋፍ ንምትእኽኻብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ወፊሮም ኣለዉ። እዚ ተግባሮም፤ ተኸተልቲ እምነት እስልምና መጀመርታ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትው እንከለው ዝነበረ ባህሊ ከምዝኾነ ይዛረቡ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝርከብ ጥራሕ እንተይኮነስ፡ እቶም ተኸተልቲ ሓቢሮም ዝሃነጽዎ ባህሊ ከምዝኾነ'ውን መልኣከ ሕይወት ቆሞስ አባ አክሊለ ማርያም ይገልጹ። ነዚ ተግባሮም ዝረእዩ ሰባት፡ በቲ ተግባሮም ሕጉሳት'ዮም። 'ሰብ ዝሕጎስ ንሰብ እንተ ኣገልጊልካ እዩ\" ይብሉ። ኣገልጋሊ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ እንተኾንኩ'ኳ፤ \"ንሓደ ሃይማኖት ጠጠው እንተኢለ'ስ እግዚኣብሄር ዝሓዝን እዩ ዝመስለኒ\" ክብሉ ይዛረቡ። ኣብ ከባቢ ምብራቅ ሃረርጌ፤ ህዝቢ ኣብ መንጎ ክልተ ወረዳታት ዝነበረ ጎንጺ ኣዝሒሉ ብሓባር ይነብር ከምዘሎ'ውን አባ አክሊለ ማርያም ሓቢሮም።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50943711"} {"headline":"ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ መሳጊድን ኣብያተ-ክርስትያንን ተቓጺሎም","content":"ዓርቢ ምሸት፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሞጣ ኣብ ዝበሃል ከተማ፡ ክልተ መሳጊድን ሓደ ቤተክርስትያንን ከምዝተቓጸሉ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ገሊጾም። እቲ ዝተቓጸለ ቤተ ክርስትያን 'ጊዮርጊስ' ዝበሃል ክኸውን ከሎ፡ እቶም መሳጊድ ድማ 'ጀሚዑል ኸይራት' ከምኡ ድማ 'አየር ማረፊያ' ኣብ ዝበሃል ከባቢ ዝርከብ ዓብዪ መስጊድ እዩ ኢሎም። ኮሚሽን ፖሊስ ኣምሓራ፡ ጸኒሑ ንቴሌቪዥን እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ድማ፡ ሓደ መስጊድ ብባርዕ ምሉእ ንምሉእ ክዓኑ እንከሎ፡ ክልተ መሳጊድ ድማ ብኸፊል ከምዝዓነዉ ገሊጹ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ሓደ \"ማር ዘነብ\" ዝበሃል ናይ ዕዳጋ ማእከልን መደቀሲን'ውን ከምዝዓነወ ኮማንደር ጀማል መኮነን ተዛሪቡ። \"ነዚ መልዓሊ ዝኾነ፡ እንዳ ጊዮርጊስ ቤተ-ክርስትያን ድማ ብኸፊል ተቓጺሉ\" ኢሉ። ኣብ ካልኦት ትካላት ንግዲ እውን ማህሰይቲ ከምዝወረደ፡ ነበርቲ ይዛረቡ። ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 11:00 ሰዓት ኣጋ ምሸት (5፡00) ጸሎት እናተገብረ እንከሎ፡ ኣብ ናሕሲ እቲ ቤተክርስትያን ትኪ ከምዝተርኣየን፡ ሰባት ድማ ነቲ ባርዕ ከጥፍኡ ከምዝተረባረቡ፡ ብድሕሪ እዚ ከኣ ዕግርግር ከምዝተልዓለ፡ ኣብ ጥቓ 'ጊዮርጊስ' ቤተክርስትያን ዝነብሩ ሓደ ምስክር ዓይኒ ንቢቢሲ ተዛሪቦም። ኣብቲ ቤተክርስትያን ዝተልዓለ ባርዕ፡ ህዝቢ ማይ እናቕረበ ክጠፍኦ ከምዝኸኣለ ዝገለጹ እቶም ነባሪ፡ ገለ መናእሰይ ግን ብስምዒት ኣብ ልዕሊ መሳጊድ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ሰሚዔ ድማ ኢሎም። ኣብዚ እዋን ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ኣትዩ ነቲ ኩነታት ንምህዳእ ይፍትን ከምዘሎን፡ በቲ ፍጻመ ናይ ሰብ ህይወት ከምዘይጠፍአን እውን እቶም ነባሪ ተዛሪቦም። በቲ ፍጻመ፡ ናይ ኣመንቲ ክርስትናን ምስልምናን ንብረት ከምዝዓነወ ድሕሪ ምግላጽ \"እቲ መንእሰይ ብስምዒት ተደፊኡ ናብ ከምዚ ዓይነት ነገር ክኣቱ የብሉን። ሕዚ እውን እንተኾነ ጽባሕ ብዕርቂ ክንዓጽዎ ኢና\" ኢሎም። ኣባል ቤት ምኽሪ ናይታ ከተማ ዝኾኑ ሓጂ ዩኑስ ኢድሪስ ድማ፡ ምኽንያት ናይቲ መጥቃዕትን ባርዕን እንታይ ምዃኑ ከምዘይተረደኦም ንቢቢሲ ተዛሪቦም። \"ናይ ኣስላም ገዛውቲ እናተመረጹ እዮም ተቓጺሎም\" ዝበሉ ሓጂ ዩኑስ፡ ኣብ ሓደ ናይ ዕዳጋ ቦታ ክልተ ደብሪ ምሉእ መደብራት ከምዝተቓጸሉን ከምዝተዘመቱን ይገልጹ። \"ናይ ኣስላም ኣብያተ መድሓኒትን ኮንቴይነርን እውን ተባሪዖም፡ ተዘሚቶም\" ኢሎም። ናብ ከምዚ ዓይነት ጎንጺ ከምርሕ ዝኽእል፡ ኣብ መንጎ ሙስሊምን ክርስትያንን ዝኾነ ጸገም ዘይምንባሩ ሓጂ የኑስ ይዛረቡ። ብዛዕባ እቲ ኩነታት፡ ተወሳኺ መብርሂ ንክህቡና ናብ ከንቲባ ከተማ ሞጣ፡ ሓላፊ ጸጥታን ቴሌፎን ደዊልና ኣብ ኣኼባ ስለዝኾኑ ክንረኽቦም ኣይከኣልናን።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50877203"} {"headline":"ሙስሊም ብምዃኑ ቋንቋ ሳንስክሪት ከይምህር ዝተኸልከለ መምህር","content":"ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ ኣብ እትርከብ ከተማ ቫራናሲ ዝርከቡ ትምሃሮ፡ ቋንቋ ሳንስክሪት ክምህር ዝተመደበ መምህር ሙስሊም ብምዃኑ ኣይንመሃርን ኢሎም። ንሳቶም፡ ሙስሊም መምህር ነቲ ምስ ጥንታዊ ሃይማኖት ሂንዱይዝም ዝተኣሳሳረ ቋንቋ ሳንስክሪት ክምህር ኣይክእልን ይብሉ። ፊሮዝ ክሃን፡ ፋልማዩ ዝኾነ ስራሕ መምህርነት ቋንቋ ሳንስክሪት ኣብቲ ህቡብ ዩኒቨርሲቲ ባናራስ ሂንዱ ምስረኸበ፡ ሓጎሱ ደረት ኣይነበሮን። እንተኾነ፡ ካብ ዝቑጸር ሰለስተ ሰሙኑ፤ ክንሱ ሓንቲ ሻብ 'ውን ኣይመሃረን። ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር 6 ከምዝተመደበ ዝሰምዑ 30 ተምሃሮ፡ ንተቓውሞ ኣብ ደጊኣፍ ምምሕዳር እቲ ዩኒቨርሲቲ ተቐሚጦም። ምኽንያቶም ድማ እስላማይ ቋንቋ ሳንስክሪት ኣይምህረናን ዝብል እዩ። ፐሮፌሰር ክሃን ምስቲ መሰረት ብዙሓት ቋንቋታት ህንዲ ዝኾነ ሳንስክሪት ዘለዎ ርክብ ግን ውልቃዊ እዩ። ንሱ፡ ኣብ እዋን ቁልዕነቱ ወላዲኡ ቋንቋ ሳንስክሪት ናብ ዝምህር ቤት ትምህርቲ ከምዝለኣኾን፡ ነቲ ቋንቋ ዘለዎ ፍቕሪ ካብ ሽዑ ከምዝጅምርን ይዛረብ። ወላዲኡ 'ውን ቋንቋ ሳንስክሪት ኣጽኒዑ እዩ። እቲ 'ቋንቋ መላእኽቲ' እናተብሃለ ዝጽዋዕ ቋንቋ፡ ብትሕቲ ሓደ ምኢታዊት ህዝቢ ህንዲ ዝዝረብ ኮይኑ ምብዛሕትኡ ግዘ ቀሻውሽቲ ሂንዱ ኣብ ሃይማኖታዊ በዓላት ይጠቀሙሉ። ካብቶም ዝቃወሙ ተምሃሮ ሓደ፡ ቻክራፓኒ ኦጅሃ፡ ምድብ ፕሮፌሰር ክሃን ንሕጊ እቲ ዩኒቨርሲቲ ዝጥሕስ እዩ ይብል። ኣመሓደርቲ እቲ ዩኒቨርሲቲ ግን '' ነቲ ስራሕ እቲ ዝበለጸ ተወዳዳራይ ኢና ሓሪና'' ብምባል ነቲ ዝቐርብ ነቐፌታ ይቃወሙዎ።። ብተወሳኺ ብዙሓት መምህራን ንፕሮፌሰር ክሃን ደጊፎምዎ እዮም። ''ንኸባቢ ሰላሳ ዓመታት፡ ሂንዱ ሰብኣይ ንቋንቋታት ኡርዱ፣ ፋርሲን ዓረብኛን ንዘጠቓልል ክፍሊ ትምህርቲ መሪሑ እዩ። ቁርኣን ክምህር ዘኽእሎ ዲግሪ እውን ረኺቡ ነይሩ'' ይብል ሓላፊ ትምህርቲ ክፍሊ ኡርዱ ኣፍታብ ኣሕመድ ኣፋቂ። ብተወሳኺ ኣብ ክፍሊ ኡርዱ ዝምህሩ ሂንዱ ከምዘለዉን ቋንቋን ሃይማኖትን ዘራኽብ ከምዘይብሎምን ይገልጽ። እቶም ተምሃሮ ኣብ ቀጽሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ የካይዱዎ ዝነበሩ ተቓውሞ ይግደፉ እምበር፡ እቲ መምህር ክሳብ ዝባረር ናብ ክፍሊ ኣይንኣቱን ብምባል ክመሃሩ ኣይከኣሉን። ዝምህሮ ቋንቋን ዝኽተሎ እምነትን እንታይ ከምዘራኸቦም ከምዘይተረደኦ ዝገልጽ ፕሮፌሰር ክሃን፡ ንዕኡ ደጊፎም ሰልፊ ዝወጹ ትምሃሮ 'ውን ረኺቡ ኣሎ።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50619606"} {"headline":"\"ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት 20 ኣብያተ ክርስቲያን ሙሉእ ብሙሉእ ዓንየን\" ማህበረ ቅዱሳን","content":"ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ጥራሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብእምነቶም ጥራሕ መጥቃዕቲ ዝበጽሖም ሰባት ዳግም ንምጥያስ፡ ልዕሊ 600 ሚልዮን ብር ከም ዘድሊ ኣብ ትሕቲ መምርሒ ምውዳብ ናይ ሰንበት ኣብያተ ትምህርቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዯጵያ ናይ ዝርከብ ማሕበረ ቅዱሳን ጸሓፊ ኣቶ ውብሸት ኦቶሮ ገሊጾም። ማህበረ ቅዱሳን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተዘዋዊሩ፡ መጥቃዕቲ ዝበጽሐሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ? ኣብ ልዕሊ ምእመናን ዝበጽሐ ጉድኣት እንታይ'ዩ? ዝብል መጽናዕቲ ከም ዝገበረ ኣቶ ውብሸት ተዛሪቡ። ማህበረ ቅዱሳን ተዘዋዊሩ መጽናዕቲ ከካይድ ኣብ ዝተኽኣሎም ከባቢታት ዝረኸቦ መረዳእታ ዕላዊ ዝገበረ ኮይኑ፡ ብምኽንያት እቲ ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ዝተመዛበሉ ሰባት ዳግም ንምጥያስ እቶት ንምትእኽኻብ ምስ ሕብረት ምኽብባር ክብርን መሰልን ቤተክርስቲያን ጴጥሮሳውያን ከምኡ'ውን ማሕበር ዳንዲ ኣቦቲ ብምዃን ኣብ ቀጽሪ ጃን ሜዳ 27 መጋቢት 2019 መድረክ ምትእኽካብ ገንዘብ ክገብር እዩ ኢሉ። ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ለውጢ እንትመጽእ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ እታ ቤተክርስቲያንን ዝተፈላለየ መጥቃዕቲ በጺሑ'ዩ ዝበለ እቲ ጸሓፊ፡ ናይዚ ምክንያት በብግዝኡ ዝዝረቡ ናይ ሓሶት ተረኻት እዮም ኢሉ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ጥራሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝተቓጸሉን ዝዓነውን ልዕሊ 20 ኣብኣተ ክርስቲያናት፡ ካብ 10 ዘይንእሱ ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎ ጉድኣት ዝበጽሖም ኣብያተ ክርስቲያናት ከም ዘለው ወሲኹ ሓቢሩ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ምእመናን ሞይቶም፣ ቤት ንብረቶም ዓንዩ፣ ኣካለዊ መጉዳእቲ በጺሑዎምን ተመዛቢሎምን እዮም ኢሉ። በዚ ምኽንያት ኣገልግሎት ዝህብሉ ትካልን መንበሪ ገዛን ዝስርሐሎም 417 ሰባት፡ ካልኦት ብዝተፈላለየ መገዲ ድጋፍ ዝግበረሎም ድማ 1700 ሰባት ከም ዘለው ኣቶ ውብሸት ተዛሪቡ። ኣቶ ውሸት ወሲኹ፡ እቲ ዝዓነወ ንብረት መሊስኻ ንምትካእ 400 ሚልዮን ብር ከም ዘድልን፡ እቲ 200 ሚልዮን ብር ንሕክምናን ስነልቦናዊ ሓገዝን ዝውዕል ምዃኑን ገሊጹ። እቶም ዝዓነው ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ብሓገዝ ምእመናን ይህነጹ ከም ዘለው ብምግላጽ፡ ናባዪ ስኢኖም ዝተረስዑ ሰባት ከም ዘለዎም'ውን ሓቢሩ። እዚ ኣብ ልዕሊ ትካላት ሃይማኖት ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ ኣብ ልዕሊ እታ ቤተክርስቲያን ዝበጽሑ መጥቃዕታት ግን ግቡእ ኣቃልቦ ኣይተገብረሎምን ኢሉ።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51886565"} {"headline":"ናይጀርያ፡ ዳዕሽ 'ንዝጨዎዮም ክርስትያን ሰይፉ'","content":"ኣብ ናይጀርያ፡ ጉጅለ ዳዕሽ ጨውዩ ሒዝዎም ንዝጸንሐ 11 ክርስትያን ከምዝሰየፎም ብምግላጽ፡ ነዚ ዘርእይ ተንቐሳቓሲ ስእሊ ዘርጊሑ። እዚ ጉጅለ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደ፡ ንቕትለት መራሒኦም ዝነበረ ኣቡበከር ኣል-ባቕዳዲ ሕነ ንምፍዳይ ከምዝኾነ ኣመልኪቱ። መራሒ ዕጡቕ ጉጅለ ዳዕሽ ኣቡበከር ኣል-ባቕዳዲ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣመሪካ ኣብ ዘካየደቶ ወተሃደራዊ ስሪሒት ኣብ ሶርያ ምሟቱ ይዝከር። ብዛዕባ መንነት እቶም ግዳያት ዝርዝራዊ ሓበሬታ የለን። እንተኾነ ግን፡ ኩሉም ደቂ-ተባዕትዮ ኮይኖም፤ ዝሓለፈ ሰሙን እዮም ኣብ ከባቢ ሰሜናዊ ምብራቕ ክፍለሃገር ቦርኖ ተታሒዞም። እቲ ብዳዕሽ ዝተዘርገሐ ቪድዮ 56 ካልኢት ኮይኑ፡ እቲ ጉጅለ ብዝውንኖ ማዕከን ዜና 'ዓማቕ' እዩ ተዘርጊሑ። ፕረዚደንት ናይጀርያ መሓመዱ ቡሃሪ፡ ነቲ ቕትለት ብትሪ ድሕሪ ምኹናን፡ ንናይጀርያውያን ብሃይማኖታዊ ምኽንያት ከይፈላለዩ ኣተሓሳሲቡ። እቲ ፕረዚደንት፡ እዞም እስላማዊ ጥሩፋት ንእምነት ኣስላም ከምዘይውክሉን፡ ኣብ መንጎ ኣስላምን ክርስትያንን ምክፍፋል ንምፍጣር ዝጽዕሩ ዘለው ግበረ-ሽበራውያን ቦታ ክወሃቦም ከምዘይብሉ ኣዘኻኺሩ። እቶም ግዳያት ኣብ ዘይተፈልጠ ቃልዕ ቦታ ከምዝተቐትሉን፤ ሓደ ካብቶም ግዳያት ብጥይት ክቕተል እንከሎ፤ ነቶም ዝተረፉ ኣብ መሬት ኣውዲቖም ከምዝሓረድዎም እቲ ዝወጸኣ ተንቐሳቓሲ ስእሊ የመልክት። ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ ዝንቐሳቐን ግብረ-ሽበራዊ ጉጅለ ቦኮ-ሓራም፡ ካብ 2016 ምስ ዳዕሽ ተሓባቢሩ ከምዝሰርሕ ሓቢሩ ነይሩ። እዚ ጉጅለ፡ ኣብ 2014 ኣብ ሰሜናዊ ናይጀርያ ኣብ እተርከብ ከተማ ቺቦክ 276 ተመሃሮ ካብ መደቀሲአን ድሕሪ ምጭዋዩ፡ ስም ናይ'ቲ ሽበራዊ ጉጅለ ክፍለጥ ክኢሉ። እዚ ግበረ-ሽበራዊ ጉጅለ፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ቡርኪናፋሶ፤ ካመሩን፤ ቻድ፤ ኒጀር ከምኡ'ውን ማሊ ይነጥፍ።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50931845"} {"headline":"ብጌጋ' ምስ ተመሳሳሊ ጾታ መርዓ ዝፈጸሙ ኡጋንዳዊ ኢማም","content":"ጓል ኣንስተይቲ 'መሲልዎም' ምስ ወዲተባዕታይ ዝተመርዓዉ ኡጋንዳዊ ሃይማኖታዊ መራሒ ካብ ሓላፍነቶም ከምዝተኣልዩ ዘ-ደይሊ ሞኒተር ዝተባህለ ጋዜጣ'ታ ሃገር ገሊጹ። ሸኽ ሞሓመድ ሙቱምባ ንክልተ ሰሙን ምስኦም ዝጸንሐትን 'ጓል ኣንስተይቲ' እያ ኢሎም ዝተመርዓውዎ ተኸዳኒት ሒጃብ፡ ወዲ ተባዕታይ ኮይኑ ምስረኸብዎ ከምዝሰንበዱ ይገልጹ። ጓል መሲሉ ዝጸንሐ ውልቀ ሰብ ሪቻርድ ቱሙሻቤ ከምዝኾነ ተፈሊጡ'ሎ። እታ ሓዳሽ 'መርዓት' ማለት ቱሙሻቤ፡ ካብ ጎረቤት መቐመጢ ተሌቪዥንን ክዳውንትን ብምስራቓ ተጠርጢራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ምስ ኣተወት እያ ተቓሊዓ። \"ከምቲ ልሙድ እታ መርዓት ናብ ቤት ማእሰርቲ ቅድሚ ምእታዋ ብሓንቲ ኣባል ፖሊስ ተፈቲሻ እያ። ሽዑ ነታ ፖሊስ ዘሰንበደ ነገር ተረኺቡ። ተጠርጣሪ ጡብ ንኽመስለሉ ኣብ ውሽጢ መትሓዚ ጡብ ጨርቂ ከምዝመልአ ተፈሊጡ\" ይብል ጸብጻብ ዘ-ዴይሊ ሞኒተር። ኣብ ኡጋንዳ ክያምፒሲ ኣብ እትበሃል ዓዲ ኣብ ዝርከብ መስጊድ ኢማም ዝኾኑ ሸኽ ሙቱምባ፡ ምስ መርዓቶም ጾታዊ ርክብ ከምዘይፈጸሙ ይዛረቡ። ብሓባር እናነበሩ 'ከመይ ክኸውን ክኢሉ?' ዝብል ሕቶ ክለዓል ግድን'ዩ። ንሶም ከምዝበልዎ ግን መርዓቶም \"ኣብ ወርሓዊ ጽግያ'የ ዘለኹ\" ስለዝበለቶም ርክብ ከምዘይፈጸሙ ገሊጾም። እቲ ውልቀሰብ፡ ጓል ኣንስተይቲ ንምምሳል ብምፍታኑን፣ ብስርቅን ምጭብርባርን ክሲ ተመስሪትዎ'ሎ። ናይቲ ከባቢ ቃዲ [ዳኛ እስልምና] ዝኾኑ ሸኽ ዓብዱል ኑር ካካዴ፡ እቲ ክስተት ዘይልሙድ ብምዃኑ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኢማም ምጽራይ ይካየድ ከምዘሎ ሓቢሮም። ካብ ሓላፍነቶም እውን ተኣልዮም። ሸኽ ሙቱምባ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ መዓልታት ኣብ መንበሪ ገዝኦም ከምዘይተረኣዩ ጸብጻብ ዘ-ዴይሊ መይል የመልክት። ሓደ ስሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ውልቀሰብ \"በቲ ዝተፈጠረ ነገር ስምዒቶም ተሃስዩ ስለዘሎ፡ ኣገልግሎት ምኽሪ ክረኽቡ ይግባእ\" ክብሉ ገሊጾም።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51103136"} {"headline":"መራሒ እስላማዊ ምንቅስቃስ ናይጀርያ ኢብራሂም ዛክዛኪ፡ ንሕክማናዊ ሓገዝ ናብ ህንዲ ይጎዓዝ","content":"ቤት ፍርዲ ናይጀርያ ንመራሒ ናይቲ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ቀይዲ ዝጸንሐ ብኢራን ዝድገፍ እስላማዊ ምንቅስቃስ እታ ሃገር፡ ኣብ ህንዲ ሕክምናዊ ረድኤት ክረክብ ኣፍቂዱ። ደገፍቲ ኢብራሂም ዛክዛኪ፡ ክፍታሕ ብምጥላብ ንኣዋርሕ ዝኣኽል ኣብ ርእሰ ከተማ ኣቡጃ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከካይዱ ጸኒሖም። ወዲ 66 ሸኽ ዛክዛኪ ብተሓታትነት ቅትለትን ካልእ ገበናትን ኢዩ ዝኽሰስ። ንሱ ግን ነዚ ክሲ ከነጽጎ ጸኒሑ ኢዩ። ደገፍቱ ከም ዝብልዎ፡ ክልተ ግዜ ፈኲስ ወቕዒ ዘጋጠሞ ኮይኑ፡ ኣዒንቱ ውን ደኺሙ እዩ። እቲ ቤት ፍርዲ ብተወሳኺ ንሸኽ ዛክዛኪ ዘሰኒ ሓደ ልእኽ ክኸይድ ኣዚዙ ኣሎ። በዚ ድማ ዛክዛኪ ሕክማና ምስ ወድአ ናብ ሕጋዊ መስርሕ ክምለስ ኢዩ። ቅድሚ ኣርባዕተ ዓሱረ-ዓመት ብሸኽ ዛክዛኪ ዝተመስረተ እስላማዊ ምንቅስቃስ ናይጀርያ ንውሳኔ እቲ ቤት ፍርዲ ብሓጎስ ተቀቢልዎ ኣሎ። \"ዓወት ሓቅን ፍትሕን ኣብ ልዕሊ ዓመጽን ጭቆናን\" ክብል ድማ ገሊጽዎ። እቲ ምንቅስቓስ፡ ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ መራሒኦምን ኣብ ልዕሊ እታ ካብ 2015 ኣብ ቀይዲ ዘላ በዓልቲ ቤቱ ማላማ ዚናትን ከቢድ ማህሰይቲ ከም ዘውረደ ኢዮም ዝኸሱ። እቲ ምንቅስቃስ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ መንጉኡን ሓይልታት ጸጥታን ዘጋጠመ ሓያል ግጭት ኣብ ወርሒ ሓምለ በታ ሃገር ተኣጊዱ ኢዩ። በቲ ዘጋጠመ ግጭት ላዕለዋይ ኣዛዚ ፖሊስን ጋዜጠኛን ዝርከብዎም ሓያለ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይዝከር። ፕረሲደንት እታ ሃገር መሓመዱ ቡሃሪ እቲ ጉጅለ \"ብሕሉፋት ዝምራሕ ኣብ ክንዲ ሰላም ጎንጺ ዘቐድም\" ክብል ገሊጽዎ ነይሩ።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49249699"} {"headline":"ምብራቕ ጎጃም፡ ኣብ ከተማ ሞጣ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ኣብ ከተማ ሞጣ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ትካላት እምነት መጥቃዕቲ ፈጺሞም ዝተብሃሉ 22 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ምርመራ ከም ዝተጀመረ ተገሊጹ። ሓላፊ መምርሒ ፖሊስ እቲ ዞባ ዋና ኢንስፔክተር ኣያልነህ ተስፋዬ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ነዚ ገበን ፈጺሞም ዝተብሃሉ 22 ሰባት ከም ዝተትሓዙን፡ እቲ ሕብረሰተብ ጥቆማ ይህብ ስለ ዘሎ እዚ ቑጽሪ ክውሰኽ ከም ዝኽእልን ሓቢሩ። ክሳብ ሕጂ ዝተትሓዙ ጥርጡራት፡ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ከም ዝተገበረ'ውን ገሊጹ። ኩነታት ከተማ ሞጣ ከም ዝተረጋግአ ዝገለጸ ኢንስፔክተር ኣያልነህ፡ እታ ከተማ ኣብ ጽኑዕ ሓለዋ ምህላዋ ሓቢሩ። ምስ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ብሓባር ብምኻን ምርግጋእ እታ ከተማ ናብ ንቡር ንምምላስ ይስራሕ ምህላው፤ ህዝቢ ንህዝቢ ንምርኻብን ክሃድእ ንምግባርን'ውን ጻዕሪ ንገብር ኣለና ኢሉ። ገለ ውልቀሰባት፡ ኣብታ ከተማ ግጭት ክለዓል ከም ዝኽእል ብማሕበራዊ ሚዲያ ንፖሊስ ሓቢሮም'ኳ እንተነበሩ፡ ፖሊስ እዚ ሓበሬታ ዕሽሽ ብምባሉ ግን ሓደጋ ከም ዝበጽሐ ይግለጽ ንዝብል ርኢይቶ መልሲ ዝሃበ ኢንስፔክተር ኣያልነህ፡ \"ብጽሑፍ ኾነ ብቓል ዝበጽሐና ሓበሬታ ኣይነበረን\" ኢሉ። ኣብዚ ሕዚ ሰዓት፤ ማሕበራዊ ምንቅስቓስ ከተማ ሞጣ ናብ ንቡር ከም ዝተመለሰ ብምግላጽ፡ ኣብያተ ትምህርትን ኣብያተ ጽሕፈት መንግስትን ምክፋቶም ገሊጹ። መጥቃዕቲ ዝበጽሖም ድኳናት ዝርከብሉ ከባቢ ግን ሕጂ'ውን ናብ ንቡር ኣይተመለሰን።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50889263"} {"headline":"ኣባል ኣልሸባብ ነይረ ኢሉ ዝተናዘዘ ሰብኣይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ","content":"ኣብ ኬንያ፡ ከተማ ሞምባሳ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ከይዱ ኣባል እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ነይረ ኢሉ ምስ ተናዘዘ ብፖሊስ ተኣሲሩ። ማዕከናት ዜና ኬንያ ከምዘቃልሕዎ፡ እቲ መንነቱ ዘይተፈልጠ ሰብ ምስ ተናዘዘ፡ እቲ ቀሺ ፖሊስ ጸዊዑ ከምዘእሰሮ ሓቢረን። እቲ ሰብኣይ ኣብ ሶማልያ ኣብ ዝርከብ ቤት-ጽሕፈት ኣልሸባብ ከምዝነበረ ነቲ ቀሺ ነጊርዎ። ትማሊ ሰሉስ፡ እቲ ኣብ ሞምባሳ ዝርከብ ቤት-ፍርዲ፡ ፖሊስ መርመርኦም ክሳዕ ዝውድኡ ን10 መዓልቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክጸንሕ ወሲኑ'ሎ። ብመሰረት ማዕከናት ዜና ኬንያ፡ ንኣኽበርቲ ሕጊ እታ ሃገር ብምጥቃስ፡ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ ጥርጡር ንካልኦት ጥርጡራት ኣብ ምሓዝ ክሕግዝ ዝኽእል ሓበሬታ ክህብ ድልው ምዃኑ ኣረጋጊጹ'ሎ። እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ግን፡ ስም እቲ ጥርጡርን ቤተ-ክርስትያንን ብንጹር ካብ ካብ ምጥቃስ ተቖጢቦም ኣለው። ብመሰረት ሕጊ ቀኖና፡ ካቶሊካውያን ካህናት ብዛዕባ እቲ ዝሰምዕዎ ምስጢረ ንስሓ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ክህቡ ክልኩል እዩ። እንተኾነ ግን፡ እዚ ሕጊ ኣብ ሉተራዊት ወንጌላዊት ቤተክርስትያንን ካልኦት ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያንን ኣይትግበርን እዩ። ኣብዚ ሰሙን'ዚ፡ ኣልሸባብ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመን ሓደ ወተሃደርን ክልተ ኮንትራክተራትን ከምዝቐተለ ይፍለጥ። ግዳያት ናይቲ መጥቃዕቲ ዝኾኑ ካልኦት ክልተ ኣባላት ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ ከምዝቖሰሉ'ውን ሰብመዚ እቲ መዓስከር ገሊጾም ነይሮም። እዚ ኣብ ገማግም ባሕሪ ላሙ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር፡ ሰራዊት ኬንያን ኣሜሪካን ዝጥቀምሉ እዩ።","category":"እስላም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51036928"} {"headline":"ቅትለት፡ ምፍንቓልን ጭውያን መዓልታዊ ተጓንፎ ዝዀነሉ ምዕራብ ወለጋ","content":"*እቲ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ዘጋጠመ ተጓንፎ፡ ህይወት ቶላን ቤተሰቡን ኣበላሽዩ እዩ ሓሊፉ። ብሕርሻ ዝመሓደር ቶላ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ጃርዴጋ ጃርቴ ብሰላም ይነብር ነይሩ። ኣብዚ እዋን ግን ኣብ ኣዲስ ኣበባ መዓልታዊ ስራሕ እናሰርሐ ቤተሰቡ ንምሕጋዝ ይጽዕር ኣሎ። ኣብታ ንሱ ዝነብረላ ዝነበረ ቀበሌ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፡ ኣሕዋቱ ዝርከብዎም ሸሞንተ ናይ ቀረባ ኣዝማዱ ስኢኑ። ንሱ ከምዝሕብሮ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ፋኖ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዕጡቓት ኰይኖም፡ ዒላማ ዝዀነ ድማ “ብምኽንያት ዓሌቱ” እዩ። “ኣሕዋተይ ክቕተሉ እንከለዉ ደቆምን ኣንስቶምን ይርእዩ ነይሮም። ማይ ጸሚኡና እናበሉ እናለመኑ እዮም ተቐቲሎም” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። “እታ ሓንቲ ዘመደይ ናይ 12 ክፍሊ ተመሃሪት ነይራ፤ ንኣቦኣ ምስ ቀተሉዎ፡ ናብቲ ሬሳ ከይዳ ‘ናዓይ እውን ቅተሉኒ’ እናበለት በኽያ። ናዓኣ እውን ብጭካነ ቀቲሎምዋ።” ንባዕሉን ቤተሰቡን ከድሕን ከብቱን ሕርሻኡን ጠንጢኑ ዝተሰደደ ቶላ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ መዓልታዊ ስራሕ እናሰርሐ ይናበር'ኳ እንተሃለወ፡ ነቲ ዘጋጠሞ ግን ክርሰዖ ኣይከኣለን። ካብ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ ብፍላይ፡ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ሞትን ምፍንቓልን ልሙድ መዓልታዊ ተጓንፎ ኰይኑ ኣሎ። ኣቦ ኣርባዕተ ቈልዑ ዝዀነ ሓሰን፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ምዕራብ ወለጋ ተቐሚጡ እዩ፤ ቤትን ንብረትን ኣፍርዩ፤ ወሊዱ ስዒሙ። ሓሰን “ብምኽንያት መንነትና ወሪዱና” ብዝበሎ መጥቃዕቲ ኣኮኡን ክልተ ደቂ ኣኮኡን ብሓደ መዓልቲ ስኢኑዎም። “ዕሸል ህጻናት ሓዊሱ ክሳብ ደቂ 90 ዓመት ሽማግለታት ብዘሰቅቕ ኵነታት ተቐቲሎም እዮም። ዕጡቓት መጺኦም ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 70 ሰባት እዮም ተቐቲሎም። ካብቲ መጥቃዕቲ ዝሃድሙ ዝነበሩ ደቂ ኣኮይ'ውን ተቐቲሎም።\" ሓሰንን ጐረባብቱን ቤተይ ንብረተይ እንከይበሉ ብህይወት ዝተረፉ ደቈም ሒዞም ተሰዲዶም። “መንግስቲ ድሕነትና ከውሕስ ኣይከኣለን” ክብል ዝወቅስ ሓሰን፡ መብዛሕትኦም ህጻናት ብጥምየት ይሃልቁ ከምዘለዉ ይዛረብ። ሓሰን፡ ንመብዛሕትኦም መጥቃዕቲታት ኦነግ ሸነ ንዝተባህለ ዕጡቕ ተሓታቲ ይገብር። ብተወሳኺ መንግስቲ ፌደራልን እቲ ክልልን ንሓደጋ ኣቃሊዖምና ክብል ይወቅስ። ምዕራብ ኦሮምያ ብፍላይ ካብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ዕረፍቲ ኣብ ዘይብሉ ጐንጺ እዩ ዝርከብ። ብፍላይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር፡ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል ምዕራብ ኦሮምያ ኣብ መንጐ መንግስትን ዕጡቓትን ብዝግበር ጐንጺ፡ ሰላማውያን ግዳይ ኰይኖም። ብሰንኪ'ቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክካየድ ዝጸንሐ ጐንጺ፡ ገለ ሰባት ‘ዝተረሰዐ ኲናት’ ኢሎም ዝጽውዕዎ ኵነታት ምዕራብ ኦሮምያ፡ ካብ ቀረባ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ እናዀነ ዝመጽእ ዘሎ ይመስል። ሓሰን ብተወሳኺ፡ ብዙሓት ኣምሓሩ፡ ንሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ (ኦነግ ሸኔ) ዝወቕሱ'ኳ እንተዀኑ እቲ ጕጅለ ግን፡ ነቲ ወቐሳ ብምንጻግ እቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረ ይሓትት። ኣቢይ ኣሕመድ ቅድሚ ኣዋርሕ፡ ድሕሪ እቲ ጕጅለ ፈጺምዎ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ጕጅለ ከጥፍኦ ምዃኑ ተሓንዩ ነይሩ። እንተዀነ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት መጥቃዕቲ ይፍጽምን ኣብቲ ክልል ጸቕጢ የሐይልን ከምዘሎ እዩ ዝንገር። ተንታኒት ፖለቲካ ጸዳለ ለማ፡ “ጐንጺ ምዕራብ ኦሮምያ ዝተረሰዐሉ ሓደ ምኽንያት እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ኲናት እዩ” ትብል። ብቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ “ግብረሽበራዊ” ተባሂሉ ዝተበየነ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡ ካብ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ተነጺሉ ዝወጸ ጕጅለ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ናብ ስልጣን ምስመጸ፡ ካብ ሃገር ወጻኢ ዝነበሩ ፖለቲካዊ ውድባት ናብ ሃገር ክኣትዉ ብዝገበሮ ጻውዒት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ነቲ ጻውዒት ተቐቢሉ ክኣቱ እንከሎ፡ ገለ ኣባላት ወተሃደራዊ ክንፊ እቲ ውድብ ግን ተነጺሎም ዕጥቃዊ ቃልሲ ቀጺሎም። ኣብቲ እዋን ድማ መንግስቲ ፌደራል ምስ ሰብመዚ ትግራይ ናብ ደማዊ ኲናት ንምእታው ይህንደድ ነይሩ። መንግስቲ፡ እቲ ሸኔ ኢሉ ዝጽወዖ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡ ብዙሓት ሰባት ኮነ ኢሉ ቀቲሉ ኢሉ ክኸስስ እንከሎ፡ እቲ ጕጅለ ብኣንጻሩ ነቲ ቅትለት ዝሕተቱ ሰራዊት መንግስቲ ከምዝዀኑ ይገልጽ። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዘውጽኦም ጸብጻባት፡ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ይዅኑ ወተሃደራት መንግስቲ ብቕትለት ሰላማውያን ሰባት ተሓተትቲ እዮም ኢሉ ነይሩ። እቲ መንግስቲ ኦነግ ሸኔ ኢሉ ዝጽወዖ ጕጅለ፡ መሓውሩ ንምጥንኻር ባንክታት ካብ ምዝማት ሓሊፉ ሰብስልጣን መንግስትን ውልቀ ሰባትን ብምጭዋይ ገንዘብ ይሓትት እዩ ዝብል ክሲ ይቐርበሉ። ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ኦሮምያ ዝተፈላለዩ ውልቀሰባት በቲ ዕጡቕ ጕጅለ ተጨውዮም ተወሲዶም፡ ገንዘብ ከፊሎም ከምዝተፈትሑ ሕጂ'ውን ብዙሓት ይጭወዩ ከምዘለዉ ቢቢሲ ሓበሬታ ረኺቡ እዩ። እንተዀነ መብዛሕትኦም ብዛዕባ እቲ ተጓንፎ ክዛረቡ ኣይደልዩን። ምኽንያቱ እቲ ጕጅለ ብመጠንቀቕታ ኣፈራሪሑ እዩ ዝሰዶም። ኣብ ቀረባ ካብ ዓሰርተ ንላዕሊ ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ስሚንቶ ዳንጎቴ፡ ተጨውዮም ተወሲዶም፣ ገንዘብ ከፊሎም ከምዝተፈትሑ ቢቢሲ ምጽብጻቡ ዝዝከር እዩ። እቶም ብ21 ሕዳር 2015 [ግእዝ] ዝተጨወዩ 17 ሰራሕተኛታት፡ ሓድሕዶም ካብ 300 ክሳብ 500 ሽሕ ብር ከፊሎም ከምዝተፈትሑ ተገሊጹ። እቲ ብናይጀርያዊ ቢልየነር ኣሊኮ ዳንጎቴ ዝውነን ትካል ግን ብዛዕባ እቲ ጭውያ ዝበሎ ነገር የለን። ጭውያታት፡ ብዙሕ ሞትን ምፍንቓልን ዝረኣየሉ ጐንጺ ምዕራብ ኦሮምያ፡ ትዅረት መንግስትን ማሕበረሰብ ዓለምን ከምዝሰኣነ እዮም ብዙሓት ዝገልጹ። ብምኽንያት እቲ ጐንጺ ካብ መንበሪኦም ዝተፈናቐሉ ሰላማውያን፡ ፈቘዶ ኣብያተ ትምህርትን ካልእን ተዓቚቦም ይርከቡ። ገለ ግዳያት እቲ መጥቃዕቲ እውን ኣብ ውሑድ ኣዋርሕ ክልተ ሰለስተ ግዜ ክፈናቐሉ ተገዲዶም። ብዙሓት ህጻናት ካብ ትምህርቲ ቦኺሮም፤ ሕዱር ሕማም ዘለዎም ሰባት ድማ ብስእነት መድሃኒት ይሳቐዩ ኣለዉ። መብዛሕትኦም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተፈናቐልቲ፡ ንድሕነቶም መንግስቲ ናብ ሰላም ዘለዎ ከባቢ ወሲዱ ከስፍሮምን ዕለታዊ ሓገዝ ከቕርበሎምን ይምሕጸኑ። “ካብ መንግስቲ እንደልዮ፡ ካብቲ ዘለናዮ ኣልዒሉ ሰላም ኣብ ዘለዎ ቦታ ከስፍረና እዩ” ይብል ሓሰን ንብዓት እናመጾ። *ኣስማት ናይቶም ኣብዚ ዛንታ ዝሰፈሩ ሰባት ንድሕነት ተባሂሉ ተቐዪሩ እዩ።","category":"ሰብኣዊ መሰላት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cg3ge5yl0pvo"} {"headline":"ኢትዮ-ቴሌኮም ብዛዕባ ምጅማር ኣገልግሎት ቴሌፎን ሽረ እንታይ ይብል?","content":"ኣብ ትግራይ፡ ከተማ ሽረን ከባቢኣን ኣገልግሎት ቴሌኮምዩኒኬሽን ኣብ ቀረባ እዋን ንኽጅምር ይሰርሕ ምህላዉ፡ ኢትዮ-ቴሌኮም ኣፍሊጡ። ናብቲ ከባቢ ዝተላእኩ ሰብሞያ ናይ ፈተነ ስርሓት የካይዱ ምህላዎም እውን እቲ ትካል ንቢቢሲ ሓቢሩ። ኣብ ኢትዮ-ቴሌኮም ቺፍ ኮምዩኒኬሽን ኦፊሰር ኣቶ መሳይ ውብሸት፡ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል እቲ ተቛሪጹ ዝፀንሐ ኣገልግሎት ንምጅማር ይረባረቡ እዮም ዘለዉ ክብል ተዛሪቡ። “ንትሕተ ቅርጺ መርበባት መሊስካ ምህናጽን ኣገልግሎታት ዳግም ከም ዝጅምሩ ምግባርን ምርብራብ ይግበር ኣሎ። ጕጅለታትና ኣብ ስራሕ እዮም ዘለዉ። እቲ ኔትዎርክ ግን ብዝተፈላለዩ ነገራት ስለዝድረኽ፡ ክጽገኑ ዘለዎም ነገራት ከምኡ ድማ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብዝምልከት ክስርሑ ዝግባኦም ነገራት'ኳ እንተሃለዉ፡ ብዘሎ ኣማራጺ ነቲ ኣገልግሎት መሊስና ንምጅማር ኣብ ጻዕሪ ኢና ንርከብ። ኣብዚ እዋን ኣብ ሽረን ከባቢኣን ኢና ንሰርሕ ዘለና። ኣብ ካልኦት እውን ሰፋሕቲ ስርሓት ይስርሑ እዮም ዘለዉ” ኢሉ። ብዛዕባ እቶም ዝስርሑ ዘለዉ ዕማማት ብዝምልከት ኣብ ቀረባ እዋን ብዝርዝር ከምዘፍልጡ ዝተዛረበ ኣቶ መሳይ፡ ዝሐሸ ኣገልግሎት ንምሃብ ብዝብል፡ ምዝርጋሕ ፋይበር ኣብ ዝጠልቡ ስርሓት ኣድሂቦም ይሰርሑ ከም ዘለዉ ሓቢሩ። ካብ ፋይበር ብተወሳኺ፡ ብኻልኦት ኣማራጺታት እውን ነቲ ኣገልግሎታት ንምጅማር ጻዕርታት ይግበሩ ምህላዎም ዝሓበረ ኣቶ መሳይ ብዝተወሰነ ደረጃ ፈተነታት ይካየዱ ከም ዘለዉ ተዛሪቡ። ብሰሉስ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣገልግሎት ቴሌኮም ከም ዝጀመረ ዝገልጽ ሓበሬታ፡ ብማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሑ ነይሩ። ኣቶ መሳይ ብዛዕባ እቲ ተጀሚሩ ዝተባህለ ኣገልግሎት ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ንሕና ኣገልግሎት ጀሚሩ ኣሎ ኣይበልናን። ምሉእ ብምሉእ ኣገልግሎት ንምጅማር ኣብ ዘኽእል ደረጃ እውን ኣይኰነን ዘሎ። ግን ከኣ ናይ ፈተነ ስርሓት ነካይድ ስለዘለና፡ ንዕኡ ብምርኣይ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ከምኡ ዝበለ ሓበሬታ ዝወጽእ ዘሎ። ፈተነ ማለት ኣገልግሎት ጀሚሩ ኣሎ ማለት ኣይኮነን። ስለዚ ምናልባት ናይ ፈተነ ንጥፈታት ስለዘለዉ ክኸውን ይኽእል እዩ ከምኡ ተባሂሉ ዘሎ” ኢሉ። ኢትዮ-ቴሌኮም ብዘለውዎ መዐቀኒታት ባዕሉ ፈተነ ምስገበረ፡ ኣገልግሎት ከም ዝጀመረ ወግዓዊ መግለጺ ከምዝህብን፡ ኣበየናይ ከባቢ ኣገልግሎት ከም ዝጀመረ ከም ዘፍልጥን ሓቢሩ። እቲ ሓላፊ ቅድም ክብል ብዝተሰርሐ ስርሓት፡ ኣብ ከተማታት ኣላማጣ፡ ኮረም፡ ዓዲኣርቃይ፡ ማይፀብርን ፀለምትን ዝርከብዎም 13 ከተማታት፡ ኣገልግሎት ቴሌኮም ምምላስ ከምዝተኻእለ ገሊጹ። እቲ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ጠንቂ ሞት ኣሽሓት ሰባት፡ ምምዝባል ሚልዮናት፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዕንወትን ዝዀነ ደማዊ ኵናት ትግራይ ደው ንምባል፡ ኣብ ሕዳር ኣብ መንጐ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ውዕል ሰላም ምኽታሙ ይፍለጥ። ናብቲ ብሚልየናት ዝቑፀር ህዝቢ ኣብ ዕጽዋ፡ ብጥምየትን ስእነት ኣፋውስን ዝሳቐዩላ ዘለዉ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ብቕልጡፍ ክኣቱን ብመንግስቲ ፈደራል ዝተቛረጹ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክጅመሩን ትጽቢት ይግበር። ናብ ትግራይ ክሳብ ሕጂ ክንዲ’ቲ ዝደለ ሰብኣዊ ሓገዝ ይኣቱ ከምዘየለ ካብቲ ክልል ዝወጽኡ ሓበሬታታት የመልክቱ። ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኸተመ ውዕል ሰላም ንትግራይ ወኪሎም ካብ ዝተሳተፉ ተዛተይቲ ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው፡ ድሕሪ እቲ ስምምዕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙን፡ ናብ መላእ ትግራይ ዝኣተዋ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን 145 ጥራሕ ምዃነን ንቢቢሲ ገሊጹ። “ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ጉዳይ በቲ ዝተሰማማዕናሉ መንፈስ መሰረት ሰሊጡ ኣይመጽእን ዘሎ። ዳርጋ ኣብ ምሉእ ትግራይ፡ ንሕና ዝሓዝናዮን ብሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተታሕዘ ከባቢ ሓዊስካ፡ ኣብ ሰለስተ ሰሙን 145 መካይን እየን መጺአን። ዳርጋ ምልክት ኣርእዩ እምበር ጀሚሩ እውን ክትብሎ ከቢድ እዩ፤ እዚ የተሓሳስበና እዩ” ኢሉ። ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ’ውን ምስ ቢቢሲ 'ሃርድቶክ' ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ ዛጊት ድሕሪ እቲ ውዕል ዝረብሕ መጠን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ከምዘይኣተወን ፖለቲካዊ ጸወታ ክኸውን ከምዝኽእል ከምዝጥርጥሩን ተዛሪቡ። “ዋላ'ኳ ብወገን ማሕበሰብ ዓለም ተገዳስነት እንተሃለወ፡ እቲ ዛጊት እንርእዮ ዘለና ምዕባለ ግን እዚ ዝበሃል ኣይኰነን። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙንን ሎምመዓልትን በረራታት ተጸቢና ኔርና። እንተኰነ እቶም በረራታት ተሰሪዞም እዮም፡” ምባሉ ይዝከር።","category":"ሰብኣዊ መሰላት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c6p9n6nqz7xo"} {"headline":"ካብ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ካርሸሊ ሃዲመ ወጽአ' ሳምኤል ወልዳይ","content":"ኣብዚ ቅንያት ሳምኤል ወልዳይ ዝተበሃለ ተቓላሲ ደምበ ፍትሒ ኤርትራውያን፡ ንፍሉይ ስርሒት ናብ ኣስመራ ምስ ኣተወ፡ ተታሒዙ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ማእሰርቲ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብቲ ብጽኑዕ ዝሕሎ ኣብ ውሽጢ ኣስመራ ዝርከብ ‘ካርሸሊ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤት ማእሰርቲ ሃዲሙ ከምዝወጽአ ዝገልጽ ዜናታት ክጋዋሕ ቀንዩ። ሳምኤል ወልዳይ መን’ዩ? ንምንታይ’ዩ’ኸ ናብ ኣስመራ ኣትዩ? መዓስ ተታሒዙ? ብኸመይ’ከ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ? ምስ ቢቢሲ ንውሕ ዝበለ ቃለ-መጠይቕ ኣካይዱ ኣሎ - እንሆ፤ መተሓሳሰቢ፡ ሳምኤል፡ ንድሕነት እቶም ካብ ኤርትራ ክወጽእ እንከሎን ኣብ ዘዕረፈሉ ዝተፈላለየ ቦታታት ምስኡ ዝተራእዩ ሰባት ኣብ ሓደጋ ከይወድቁ እዋናዊ ስእሉ ከይንጥቀም ስለዝተማሕጸነና ህሉው ስእሊ ከምዘይተጠቐምና ንሕብር።  ብተወሳኺ፡ ቢቢሲ ንዛንታ ሳምኤል ወልዳይ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን። ቢቢሲ፡ ድሕረ ባይታኻ ኣላልየና ሳምኤል ወልዳይ፡ ሳምኤል ወልዳይ ገብረቃል እብሃል። ኣብ ኣዲስ ኣበባ’የ ተወሊደን ዓብየን። ወዲ 16 ዓመት ምስ ኰንኩ ኣብ መወዳእታ 1977 ናብ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፈ። ኣብ ዝተፈላለያ ክፍልታትን ተዋጋኢ ሰራዊትን ሰሪሐ። ድሕሪ ናጽነት'ውን ኣብ ዝተፈላለየ ኣሃዱታት ሰሪሐ። ዳሕራይ ናብ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ተመዲበ፤ ካብ ‘ግራውንድ መይንተናንስ ሲንየር መካኒክስ’ ክሳብ ማናጀር ኰይነ ሰሪሐ። ኣብኡ እንከለኹ ብዙሕ ናይ ስራሕ ዕንቅፋታት ስለዘጋጠመኒ፡ ኣብ 2004 ካብ ኤርትራ ወጺአ ናብ ኣሜሪካ ኣትየ። ኣብ ፐንሰልቪንያ ኣብ ሓደ ካተርፒለር ካምፓኒ፡ ሃይድሮሊክ መካኒክ ሰሪሐ፤ ካብኡ ናብ ስያትል ቀይረ ኣብኡ’ውን ይሰርሕ ነይረ። ኣብ መወዳእታ ናይ ሃገርና ኵነታት ባህ ዘብል ስለዘይነበረ፡ ካብ 2010 ጀሚረ ናብ ቃልሲ ብምእታው ብዝተፈላለየ መንገዲ ይቃለስ ነይረ። ኣብ 2018 ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይደ ሓደ ትካል ክኸፍት ወሲነ። እዚ እናገበርኩ እንከለኹ ኣብቲ ቃልሲ ብትርር ዝበለ ነገር ንምስታፍ እቲ ዝነበረኒ ትካል ደው ኣቢለ ዝነበረኒ ገንዘብ ናብቲ ምንቅስቓስ እቲ ቃልሲ ብምውዓል ናብቲ ቃልሲ ብኣካል ኣትየ። እቲ ዘጋጠመኒ ከኣ ኣብቲ ሰዓት እቲ’ዩ። ቢቢሲ፡ 2018 ኤርትራን ኢትዮጵያን ውዕል ሰላም ዝተፈራረማሉ እዋን’ዩ ነይሩ፡ ሰላም እናተባህለ ናብ ትርር ዝበለ ዝበልካዮ ቃልሲ ምእታው ይጠዓዓምዶ? ሳምኤል ወልዳይ፡ ኣነ ቅድሚኡ’የ ኣብኡ ነይረ። ኣጋጣሚ እቲ ዶብ ክኽፈት እንከሎ ኣዲስ ኣበባ’የ ነይረ። ዶብ ይከፈት ዝመጸ ሰላም መጺኡ ይበሃል ብዘየገድስ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ክሳዕ ዘየልገሰ ኣብ ሃገርና ብፍጹም ሰላም ክመጽእ ኣይክእልን’ዩ። እቲ ኵናት፡ ደም ምፍሳስን ኣውያትን ደው ዝብል ኣይኮነን። ስለዚ ከምኡ ስለዝነበረ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ኣትየ ዝረኽቦም ሰባትን ሓደ ሓደ ዝሰርሖም ስርሓትን ነይሮም’ዮም። እዚ ታሕሳስ 2018’ዩ ዝኸውን ዘሎ። ካብኡ ሰላም ምስ ኮነ ናብ ኣስመራ ኣትየ፤ ኣብ ኣላስካላ [ሆቴል] ሰለስተ መዓልትን ክልተ ለይትን ገይረ ነቶም ዝመደብክዎም ሰባት ረኺበ ብሰላም ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሰ። ዶብ ምስ ተዓጸወ’ውን ናይ ግድን ክኣቱ ስለዝነበረኒ፡ ብ13 ሰነ 2019 ብእግረይ ናብ ኤርትራ ኣትየ።  ንደቀምሓረ ምስ ኣተኹ ሓደ ካብቶም ዝወደብናዮም ኮሎኔል ነይሩ፡ ንዕኡ ረኺበዮ። [ንሱ ግን] ሓሳቡ ቀይሩ ካልእ ዘረባ ምስ ኣምጽአ ብዘይሓሰብክዎ መንገዲ፡ ኣብ እንዳ ኢንተርነት እንከለኹ ክልተ ሰብ ከላሽንን ሓደ በዓል ሽጉጥን መራሒ መኪናን ኣባላት ጸጥታ መጺኦም ሒዞሙኒ። ቢቢሲ፡ ንምንታይ ዕላማ ኢኻ ናብ ኣስመራ ትመላለስ ነይርካ? ሳምኤል ወልዳይ፡ እቲ ዕላማ ብዝርዝር ክነግረካ ኣዝዩ ነዊሕ ስለዝኾነ ብሕጽር ዝበለ፡ እቲ ቃልሲ ናይ ሓባር ቃልሲ ስለዝዀነ፡ ኣብኡ ዝወደብናዮም ሰባት ስለዝነበሩ ናይ ግድን ክረኽቦም ስለዝነበረኒ’የ ዝኣቱ ነይረ። ኣብ ዝሃለና ኩርናዕ ዓለም ንሃሉ ብዘየገድስ ክንቃለስ እንተዄንና ተራኺብና ክንመያየጥ ስለዘለና፤ ናብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም እናኸድኩ’ውን ከምኡ ይገብር ነይረ’የ። እዚ’ውን ክፋል ናቱ’ዩ፣ እቲ ኣብ ደቀምሓረ ዝረኸብክዎ ኮሎኔል ’ውን ሓደ ካብኦም’ዩ። ቢቢሲ፡ ካብኡ ናበይ ተወሲድካ? ሳምኤል ወልዳይ፡ ናብ ኣስመራ ወሲዶም፡ ኣብ ጥቓ ከረን ሆቴል ዝርከብ ሓደ ናይ እንዳ ጸጥታ ቤት ጽሕፈት’ዮም ወሲዶሙኒ። ሳሎን ዘለዎ ዓቢ ኦፊስ’ዩ። ኣብኡ ሰለስተ ሓለፍቲ ጸኒሖሙኒ። ምሸት ሰዓት ትሽዓተ ኣቢሉ እየ ኣትየ። ኣብኡ ንኣስታት ሰለስተ ሰዓታት ጸኒሕና ዝተፈላለየ ሕቶታት ሓቲቶሙኒ። ናብ ኤርትራ ክኣቱ እንከለኹ መንነተይ ቀይረ’የ ኣትየ። ስመይ ካልእ’ዩ ነይሩ። ኣብቲ መጀመርታ ኣይፈለጡንን። መን’ዩ ሰዲዱካ ኢሎም ብዙሕ ኣዋጢሮሙኒ ክሃርሙኒ’ውን ጀሚሮም። ኣብ መወዳእታ ሓደ ካብኦም ስኢሉኒ ከይዱ። ብኸመይ ኣረጋጊጽዎ ኣይፈልጥን መጺኡ እሸቱ ወልዳይ ምዓስ ድኣልካ ሽምካ ቀይርካ ኢሉኒ። ብኸምዚ ፈሊጦሙኒ። ኢደይ ንድሕሪት’የ ተኣሲረ ነይረ። ምዓስ ተሰሊፈ ነጊረዮም። ከምታ ተኣሲረያ ዝነበርኩ ከኣ ናብ ግቢ ወሲዶም ደርብዮሙኒ። ቢቢሲ፡ እዚ ዅሉ ዝተፈጸመሉ ዕለት ክንደይ እዩ ነይሩ? ሳምኤል ወልዳይ፡ እዚ 14 ሰነ 2019’ዩ ነይሩ። ንጽባሒቱ ኸኣ እቶም መጀመርታ ዝመርመሩኒ ሒዞም ናብ ሓሙሻይ መደበር ወሲዶሙኒ። እቲ ገዛውቲ ካብ ኣስመራ ኣብ ዝወጻእክሉ ገዛውተይ ዝነበረ’ዩ። ኣብ ሓሙሻይ መደበር ፖሊስ ከኣ ንዓመትን ሰለስተ ወርሕን ኣቢለ ኣብኡ ነይረ። ቢቢሲ፡ ኣብ ሓሙሻይ መደበር ፖሊስ ንበይንኻ ዲኻ ተኣሲርካ ነይርካ፡ እንድሕር ካልኦት መተኣስርቲ ነይሮምኻ፡ ከመይ ዝበሉ ሰባት’ዮም ምሳኻ ነይሮም? ሳምኤል ወልዳይ፡  ኣነ ኣብ ናይ በይነይ ሸላ’የ ነይረ። ፌሮ ኣብ ኢደይ ኣሎ። ጸሓይ ክርኢ ኣይፍቀደንን’ዩ ነይሩ። ኣብኡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ጸኒሖምኒ። ደቂ ተጋደልቲ፡ ደቂ ስውኣት፡ ደቅና’ዮም ኣብቲ ቃልሲ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዝሳተፉ ዝነበሩ’ዮም። ኣነ ኣብኡ እንከለኹ’ውን ዝተወሰኹ ነይሮም። ብድሕሪ እዚ ናብ መንደፈራ ቀይሮሙኒ። ቢቢሲ፡ ኣብ ሓሙሻይ መደበር ፖሊስ እንድሕር ካብ ሸላ ዘይትወጽእን በይንኻን ነይርካ ብዛዕባ እቶም ካልኦት እሱራት ብኸመይ ኢኻ ክትፈልጥ ክኢልካ? ሳምኤል ወልዳይ፡ ወዲ ሰብ ዝተኣሰረ እንተተኣሰረ መትሓዚ የብሉን፣ ናትካ ጥበብ ተጠቒምካ ብዝተፈላለየ መንገዲ ሓበሬታታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ ስለዝዀንኩ’የ ኣብ ውሽጢ ሸላ እንከለኹ ሰባት ክውድብ ክኢለ፡ ዳርጋ ኣርባዕተ ጕጅለ ዝዀኑ ሰባት ወዲበ ነይረ። ጉድጓድ ፍሒርና፡ መንደቕ ኣፍሪስና፡ ፍኒስትራ ሰይርና ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ክንወጽእ ፈተነታት ንገብር ነይርና። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኣብ ፊት ዝነበረት ፍኒስትራ ብምስባር ኵላትና ክንሃድም’ኳ መደብ እንተነበረ፡ እቲ ምህዳም ምስ ተጀመረ፡ እቶም ከምዚ ግበሩ ዝተባህሉ ከምቲ ዝተባህልዎ ስለዘይገበሩ ሰለስተ ሰባት ጥራይ ሃዲሞም። ስለዚ ዘይክኣል ነገር የለን። ቢቢሲ፡ ኣብ ሸላ በይነይ’የ ነይረ እናበልካ እዚ ዅሉ ክግብር ኣየጸግምን ዶ? ኣብቲ ሓሙሻይ መደበር ፖሊስ እንከለኻ’ኸ ትምርመር ነይርካ ዲኻ? ቢቢሲ፡ ናብቲ ሓሙሻይ መደበር ፖሊስ ምስ መጻእኩ ንጽባሒቱ ሓደ ካብቶም መርመርቲ ካብ ሸላይ ወሲዱ ናብ መመርመሪ ወሲዱኒ። ሰለስተ ብሰለስተ ትኸውን መህረሚ መገምጠሊ ኵሉ ዘለዋ ክፍሊ እያ። ንዓይ ኣይሃረሙንን ብዙሕ ሕቶታት ግን ይሓቱኒ ነይሮም። እቲ መርመራ ንግሆን ምሸትን ዳርጋ ንሓደ ወርሒ ቀጺሉ። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ እንከለኹ ብዙሕ ይሓምም ነይረ። እቲ ቤት ማእሰርቲ’ውን ብዘይ ብእኡ ቀታሊ’ዩ። ብድሕሪ እዚ ናብ መንደፈራ ወሲዶሙኒ። ቢቢሲ፡ መዓስን ንምንታይን ኢኻ ናብ መንደፈራ ተወሲድካ? ሳምኤል ወልዳይ፡ ኣነ ኣይፈለጥኩን፡ ከምዝሰምዖ ዝነበርኩ በዓል ኣሮን ታደሰ በዓል ሸኽ እቶም ዝሙቱ ሽሞም ረሲዐየ ሸኽ . . . [ክዝክር ይፍትን] ቢቢሲ፡ ሓጂ ሙሳ ድዮም? ሳምኤል ወልዳይ፡ እወ እወ ኣብኡ’ዮም ሞይቶም። ዓሰርተ፡ ሓሙሽተ ዓመት ዝገበሩ ብዙሓት ናይ ፖሎቲካ እሱራት ኣብኡ ነይሮም።  ንኣብነት ወዲ ኣሜሪካ ዝበሃል ነይሩ ካብቶም ብጥሪ 21 ስርሒት ፎርቶ ዝተኣሰሩ። ብድሕሪ’ኡ ናብ ወንጀል መርመራ’ዮም ዝወስድዎም። ንዓይ’ውን ናብኡ ይወስዱኒ ይዀኑ’ዮም ዝብል ጥርጣረ ነይሩኒ። ንዓይ ግን ንደቡብ ገጾም ወሲዶም ናብ ፎርቶ መንደፈራ ወሲዶሙኒ። ሕጂ ክሓስቦን ክሰምዖን እንከለኹ፡ እቶም ካብ ሓሙሻይ መደበር ፖሊስ ዝሃደሙ ሰለስተ ቈልዑ ብሰላም ወጺኦም ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዮም፤ ሳምኤል ኣብ ሓሙሻይ መደበር ፖሊስ ኣሎ ንሱ’ዩ ኣህዲምና ኢሎም ከምዝተዛረቡ ሰሚዐ። ነዚ ዘረባ ስለዝሰምዑ’ዮም ዝዀኑ ናብቲ ዝጸበበን ዝኸፍአን ቤት ማእሰርቲ ወሲዶሙኒ። ቢቢሲ፡ ናብ ፎርቶ መንደፈራ ምስ ተወሰድካ ኣብኡ ሰብ ጸኒሖሙኻ’ዶ? እቲ ቤት ማእሰርቲኸ ከመይ’ዩ ዝመስል? ሳምኤል ወልዳይ፡ እቲ ቤት ማሰርቲ ናይ እንዳ ጸጥታ እዩ። ኣዝዩ ጽንኩርን ጸቢብን’ዩ። እታ ኣነ ዝነበርክዋ ሸላ 2 ብ 2 ሜትሮ ፍኒስትራ ዘይብላ’ያ ነይራ። ኣብኡ፡ ሓደ ኣብ ሓሙሻይ መደበር ፖሊስ ምሳና ተኣሲሩ ዝነበረ ተቓላሳይ ኣብኡ ጸኒሑኒ። ብነዃል እየ ርእየዮ። ንሱ’ውን ኣቐዲሙ ግዲ ርእዩኒ ኰይኑ፡ ካብ ኣሜሪካ ዝተማላእክዋ ጐልፎ ነይራ፡ ኣብ ሓሙሻይ መደበር ፖሊስ እንከለና ዝሃብክዎ። ክፈልጦ ግዲ ሓሲቡ ነታ ጎልፎ ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ኣብቲ ማዕጾ ሰጢሑዋ ኣነ ኸኣ በዚኣ ንሱ ምዃኑ ኣለልየዮ። ጋዜጠኛ ዓብዱ ሄጂ’ውን ኣብኡ ሰለስተ ዓመታት ገይሩ ጸኒሑኒ። ኣብ ጥሪ 2021 ግን ናበይ ምዃኖም እንድዒ ካብቲ ቦታ ወሲደሞ። ድሒረ ናብ ካርሸሊ ምስ ተወሰድኩ ግን ኣብ ካርሸሊ ከምዘሎ ፈሊጠ። ካብ ኣሜሪካ ዝመጽአ ኣብርሃም ነጋሲ ዝበሃል ሰብ’ውን ኣብኡ ተኣሲሩ ነይሩ። ቢቢሲ፡ ዕለት ክንደይ ኢኻ ካብ ሓሙሻይ መደበር ፖሊስ ናብ መንደፈራ ተቐይርካ? ሳምኤል ወልዳይ፡ ዕለት ኣይዝክሮን’የ ወርሒ መስከረም 2020’ዩ ነይሩ። ኣብ ሓሙሻይ መደበር ፖሊስ ምሳይ ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ዝገበረ ፌሮ ናብ መንደፈራ ምስ ከድኩን ብሕማም ምስ ተጠለቃዕኹን ተፈቲሑለይ። ኣብ ሓሙሻይ መደበር ፖሊስ፡ ብውሕዱ ክትሸይን እንከለካ እቲ ፌሮኻ ይፍትሓልካ’ዩ፡ ኣብ መንደፈራ ግን ዋላ ክትሸይን እንከለካ ኣይፍትሓልካን’ዩ፡ ረሲሐ ጨንየ፡ መግቢ ዝበሃል የለን። ቢቢሲ፡ መግቢ የለን ክትብል እንከለኻ. . .? ሳምኤል ወልዳይ፡ እንታይ ድዩ መስለካ፡ ኣብ ዓድና ከምእትፈልጣ እታ ዓደስ’ያ ዘላ፡ ኣብ ሜዳ ዝነበረ ኣመጋግባ ንህዝቢ ኣለማሚደሞ’ዮም። ዝበዝሓ ሰብ መሸላ ወዲ ዓከር’የ ዝበልዕ። ዓደስ እውን እንተተረኺቡ’ዩ። መግቢ የለን ክብለካ እንከለኹ ንጣር ንጣር ዓደስ ዘለዋ ማይ ጨብረቕረቅ ዝበለ ጸብሒ’ያ ትመጻና። ምስኡ ከኣ ርፍትት ዝበለ ጣይታ ወዲ ዓከር ይመጽኣና ነይሩ። ቢቢሲ፡ ኣብ መንደፈራ ክንደይ ጸኒሕካ? ሳምኤል ወልዳይ፡ ዳርጋ ትሽዓተ ወርሒ ገይረ፡ ብዙሕ ሓሚመ ናብ ሕክምና ክትከይድ ኢኻ ኢሎም ኣብ ወርሒ ሰለስተ 2021 ናብ ካርሸሊ ወሲዶሙኒ። ቢቢሲ፡ መስከረም 2020 ናብ መንደፈራ ወሲዶሙኒ ኢልካኒ፡ ኣብ መንደፈራ ኸአ ንትሽዓት ኣዋርሕ ጸኒሐ ትብል ኣለኻ፡ ምስኡ ዝጻረር ከኣ ወርሒ ሰለስተ ካብ መንደፈራ ወሲዶሙኒ ትብል ኣለኻ፡  እዚ ከኣ ናይ ሰለስተ ወርሒ ፍልልይ ኣለዎ፡ እቲ ኣዋርሕ ዝተደናገረ ይመስል ኣሎ'ሞ ከመይ እዩ'ዚ? ሳምኤል ወልዳይ፡ ርግጸኛ’የ ትሽዓተ ኣዋርሕ’የ ኣብ መንደፈራ ጸኒሐ። ቢቢሲ፡ ክኸውን ይኽእል’ዩ ግን ኣብ ሓዲኡ ጌጋ ኣሎ። ኣብ ካርሸሊ ምስ መጻእኻ’ሞ ንዓብዱ ሄጂ ርኢኻ’ዮ’ዶ? ሳምኤል ወልዳይ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2022 ንዓብዱ ሄጂ፡ በዓል ቢትወደድ በዓል ኣስቴርን ካልኦት ጉዳዮም ምስ ጥሪ 21  ዝተኣሳሰር ኵሎም ጠርኒፎም ካብ ካርሸሊ ወሲደሞም ኣብኡ የለውን። ቢቢሲ፡ ካብ መንደፈራ ናብ ካርሸሊ ብምንታይ’ዮም ወሲዶሙኻ? ሳምኤል ወልዳይ፡ ቶዮታ ላንድክሩዘር’ያ ምስ ኣውቲስታ ሰለስተ ካልኦት ሰባት ኣብታ መኪና ነይሮም፡ ለይቲ መጺኦም ንሕክምና ክትከይድ ኢኻ ኢሎም ካብ ሸላይ ኣውጺኦም ናብ ካርሸሊ ኣእትዮምኒ። ቢቢሲ፡ እቲ ዝነበርካዮ ሸላ መፍለዪ እንተነይርዎ ኣበየናይ ቁጽሪ ኢኻ ነይርካ? ብየማንካ ብጸጋምካ በዓል መን ነይሮም? ሳምኤል ወልዳይ፡  እታ ዝነበርክዋ 26 – 2 ትበሃል ሸላ’ያ። ብየማነይን ብጸጋመይን ክልተ ሰባት ነይሮም። ሽዕኡ እቲ ብጸጋመይ ዝነበረ ወዲ፡ ነብሰ ቅትለት ፈቲኑ’ዶ ገለዶ ኢሎም ካብኣ ኣውጺኦም ናብ ካልኦት ሰባት ሓዊሶሞ። እቲ ብየማነይ ዝነበረ ኢሳይያስ ጸጋይ ዝበሃል ነባሪ ዓዲ እንግሊዝ ኮይኑ ኣብ ትግራይ ኮይኑ ዝቃለስ ዝነበረ’ዩ፡ ናብታ ጸጋመይ ዝነበረት ሸላ ቀይሮሞ። ኣብኡ በዓል ዶክተር ፍጹም፡ ዶክተር ክፍሉ ገብረመስቀል፡ ወልዱ ባርያ ዘለዉዎም ከኣ ኣብ ሸላ ቁጽሪ 23 ነይሮም። ቢቢሲ፡ ካብቶም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ከተዘራረቦም ዝኸኣልካ እሱራት ነይሮምዶ? ሳምኤል ወልዳይ፡ ኣብኡ ክትዘራረብ ዘይሕሰብ ነገር እዩ። ካርሸሊ ማለት ኣዝዮም ብዙሓት ዋርድያታት ዘለዉዎን ብጥብቂ ዝሕሎን ገዛ’ዩ። ሓቂ ንምዝራብ’ውን እቶም ዋርድያታት ኣዝዮም ‘ፕሮፈሽናላት’ዮም’። ኣብኡ ዝርኣዩን ዘይርኣዩን ዝበሃሉ እሱራት’ዮም ዘለዉ። ኣነ ከኣ ካብቶም ዘይርኣዩ ኰይነ፡ ኣብ ናይ በይነይ ሸላ’የ ነይረ። ዋላ ካብቶም ሓለዋ ውሱናት ሰባት እንተዘይኰይኖም ኣይርእዩንን’ዮም። ንሽንቲ ክወጽእ እንከለኹ እቶም ካልኦት ኣብ ሸሸላኦም ምስ ኣተዉ’የ ዝወጽእ። እንተዀነ በቲ ዋርድያታት ክጽውዑ ትሰምዖን በቲ እቶም እሱራት ክዛረቡ እንከለዉ ትሰምዖን መን ኣበይ ኣበይ ኣሎ ክትርዳእ ትኽእል ኢኻ። ቢቢሲ፡ ንቢትወደድ ኣብርሃ’ኸ ርኢኻዮዶ? ሳምኤል ወልዳይ፡ ኣይርኣኽዎን፡ ንሶም’ውን ንዓይ ዝርኣዩኒ ኣይመስለንን። ግን ኣብ ገለ ገለ ሸላታት ኣብ ሓደ ሸላ ክሳብ ሸሞንተ፡ ሽዱሽተ ሰባት ዝተኣሰሩ ኣለዉ፡ ንኣብነት በዓል ዶክተር ፍጹም ዘለዉዋ ሸላ ሸሞንተ ሰባት ኣለዉዋ። በዓል ወልዱ ባርያ ዘለዉዋ ሸላ’ውን ከምኡ። ቢትወደድ ኣብርሃ ከኣ ኣብ ናይ በይኑ ሸላ’ዩ ዘሎ። ቢቢሲ፡ ካብተን ኣብ ካርሸሊ ኣለዋ ዝበሃላ ደቂ ኣንስትዮኸ በዓል ኣስቴር ዮውሃንስን ሰናይት ደበሳይ ናታተን’ከ እንታይ ትፈልጦ ነገር ኣሎ? ሳምኤል ወልዳይ፡ ኣብ ካርሸሊ ደቂ ኣንስትዮ እሱራት ይዅና ሓለውቲ የለዋን። ምስ ካርሸሊ ሕቘ ንሕቘ ዝተዋሃሃበ ካልኣይ መደበር ፖሊስ ስለዘሎ ንሱ ካልእ ምምሕዳር’ዩ። በዓል ኣስቴር ከኣ ኣብኡ’የን ነይረን። ካብ ወርሒ ክልተ ግን ናይ ሰናይት ርግጸኛ ኣይኰንኩን ንኣስቴር ግን ምስ በዓል ቢትወደድ ወሲዶማ’ዮም። ብድሕሪኦም ሓሙሽተ ኣቕሽሽቲ ናይ ገዳም ደብረ ቢዘን ኣብ ካልእ ቦታ ብዙሕ ዓመታት ዝተኣሰሩ ናብ ካርሸሊ ኣምጺአሞም። ኣብ ወንጀል መርመራ [ካርሸሊ] ብሓፈሻ ካብ 90 ክሳብ 100 ዝኸውን እሱር’ዩ ዘሎ። ቢቢሲ፡ ካብ ካርሸሊ መዓስ ኢኻ ሃዲምካ? በይንኻ ዲኻ’ኸ ወጺእካ? ሳምኤል ወልዳይ፡ በየን በየን ኣቢልካ ካብ ኤርትራ ወጺኻ እንተኢልካኒ’የ ዘይነግረካ’ምበር እቲ ካብ ካርሸሊ ዝወጻኩሉ ኣገባብ ኵሉ ክነግረካ ይኽእል’የ። ሎሚ ኣነ ይዛረበሉ ኣለኹ። ጽባሕ እቶም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ሓለውቲ’ውን ብኸመይ ወጺአ ክዛረብሉ’ዮም። ኣነ ምስ ወጻእኩ ኵሎም ናይ ጸጥታ ይዅኑ እቶም ሓለውቲ ክፈልጡ ከምዝኽእሉ ፍሉጥ’ዩ። ኣነ ዝነበርክዋ ሸላ፡ ናብ ኣኽርያ ትወስድ ጽርግያ ሕቘኣ ኣብ ዝሃበት ናብ ካልኣይ መደበር [ፖሊስ] ዝቐረበት ኵርናዕ’የ ነይረ። ኣነን ኢሳያሳ ጸጋይን ሓንቲ ካንሸሎ ኣብ ዘለወን ክልተ በበይነን ሸላታት ኢና ነይርና። ኣብታ ሸላ ኰይነ ኣብ ከባቢየይ ብዝነበረ ነገራት ገይራ ኣስካላ መሳሊ ነገር ሰሪሐ’ያ መንደቕ ተሰቒለ ናብ ጽርግያ ነጢረ። ቢቢሲ፡ ኣብ ውሽጢ ሸላ ኴንካ ከመይ ገይርካ ኢኻ ኣስካላ ዝኣክል ዓቢ ነገር ክትሰርሕ ክኢልካ? ሳምኤል ወልዳይ፡ እንታይ ይመስለካ፡ ንግሆ ሰዓት ሸውዓተ መጺኦም ይኸፍቱና፡ ኣለና’ዶ ሞይትና’ዶ ‘ቸክ’ ይገብሩና። ሰዓት ሸሞንተ ከኣ እቲ መግቢ ዝህብ መጺኡ ይኸፍተና። ሽዕኡ ደገ ወጺአ ናብ ዓይኒ ምድሪ ከይደ ሸይነሉ ዝሓደርኩ ጃሎን ይኽዕዎ። ንሱ ንዓይ ከፊቱ ናብቶም ካልኦት’ዩ ዝኸይድ። ክሳብ ዝምለሰኒ ከኣ ኣብታ ካንሸሎይ ዘወርወር ይብል። እዚኣ ካብ 15 ክሳብ 20 ደቒቕ’ያ። ኣብ ውሽጢ ኣእትዩ ከኣ ቁርሲ ሂቡ ይዓጽወና። ኣብ ምሳሕ ኣይንወጽእን ኢና። ናይ ምሸት ሰዓት ኣርባዕተ ኣቢሉ ከኣ ይመጽእ ይኸፍተኒ። ሸይነ ንዓሰርተ ደቂቕ ዝኸውን ኣብታ ካንሸሎ ዘወርዘር ይብል። ኣብታ ናይ ምሸት ክሸይን ኢለ ምስ ወጻእኩ ኣቐዲመ ኣዳልየዮ ዝጸናሕኩ በታ ዘላ ፊስቶ በታ ዘላ ጥስቲ በታ ዘላ ማዕጾ ናይ ሽቀቕ ከም ኣስካላ ተጠቒመ ናብ ዝባን እቲ መንደቕ ክድይብ ከምዝኽእል ተኣማሚነ ተዳልየ ጸኒሐ። ከም ሓሳበይ ከኣ ብኣኣ ገይረ ደይበ ንኽወርድ ዝሕግዘኒ ከኣ ኮቦርታ ቆጻጺረ ጠልጠል ኢለ ንደገ ወሪደ። ነዊሕ ስለዝዀንኩ ከኣ ቁመተይ ሓጊዙኒ’ዩ። ዕድለኛ ኰይነ እግዚኣብሄር ፈቒድዎ ብሰላም ክወጽእ ክኢለ። ቢቢሲ፡ ኣብ ዝባን እቲ መንደቕ ኣብ ኵሉ ኩርንዓት ዋርድያታት ኣለዉ፤ ብኸመይ’ዮም ክርእዩኻ ዘይክኣሉ? ሳምኤል ወልዳይ፡ እወ ዋርድያ ኣለዉ፡ ኣነ ብርእሰ ተኣማንነት ክገብራ ዝኽእል ካብታ ካንሸሎ ናብ ዝባን ምድያብ’ያ፡ ብዋርድያ ከይርአን ብኸመይ ክዘልል ይኽእልን ዝብል ግን ኣብ ኢደይ ዝነበረ ነገር ኣይኰነን። ዋርድያ ክርእየኒ ይኽእል ድዩ ኣይክእልን ክፈልጥ ኣይክእልን’የ። ኣብቲ ቤት ማእሰረቲ ኣነ ሓሚመ ሓኪም ጸውዑለይ ኢለዮም ኣብዮሙኒ’ዮም። ስለዚ ከምቶም መድሃኒት ስኢኖም’ዮም ሞይቶም ኢለ ዝግምቶም ሓደ መዓልቲ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ክመውት’የ። ስለዚ ክሃድም ክፍትን እንከለኹ’ውን ቶኵሶም ክቐትሉኒ ይኽእሉ’ዮም፣ ኣየናይ’ዩ ዝሓሸ ኢለ’የ ነቲ ምህዳም ሞት ከምዘለዎ እናፈልጥኩ መሪጸዮ። ዋርድያ ኣይርኣየንን፡ ፍሉጥ’ዩ ብድሕረይ ኣሲረሞ’ዮም። ቢቢሲ፡ እቲ መንደቕ እውን ትሪኮላታ ኣለዎ፡ ሓቐይ እንድየ? ሳምኤል ወልዳይ፡ እወ ትሪኮላታ ኣለዎ፡ በላሕቲ ጠራሙዝ እውን ኣለዎ፡ ኢደይ ተሓራሪደ ደም እናፈሰሰኒ’የ ሃዲመ። ብውሽጢ ካልእ ክዳውንቲ ደሪበ ስለዝነበርኩ ውጽእ ምስ በልኩ ናብ ዕዳጋ ላኸ ከይደ፣ ነቲ ብላዕሊ ዝነበረ ክዳነይ ኣብኡ ደርብየዮ። ብ11 መስከረም 2022 [ቅዱስ የውሃንስ]  ከባቢ ሰዓት ኣርባዕተን ፈረቓን’ዩ ነይሩ። በዓል ስለዝነበረ ከኣ እቲ ካባቢ ጭው ጭው’ዩ ኢሉ ነይሩ። እቶም ኣባላት’ውን ብምኽንያት እቲ በዓል ዝብላዕ ዝስተ ኣዳልዮም ኣብ ምዝንጋዕ ስለዝነበሩ’የ ነታ መዓልቲ መሪጸያ። ቢቢሲ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ኣስመራ ክንደይ ጸኒሕካ? ሳምኤል ወልዳይ፡ ኣብ ኣስመራ ኣይጸናሕኩን ኣብ ውሽጢ 45 ደቓይቕ’የ ወጺአ፡ ሕጂ በዚ ገይረ’የ ወጸአ ክብለካ ኣይደልይን’የ። ቢቢሲ፡ ከምዚ ዓይነት ክስተት ከጋጥም እንከሎ ኬላታት ወይ ጽዑቕ ተፍትሽ ክግበር ይኽእል’ዩ፣ ዝተሓባበሩኻ ሰባት ስለዝነበሩ ዲኻ ክትወጽእ ክኢልካ? ሳምኤል ወልዳይ፡ ኖ ዋላ ሓደ ዝተሓባበረኒ ሰብ ኣይነበረንን። ስድራይን ዝፈልጡንን ሞይቱ’ዩ ኢሎም ቀቢጾሙኒ’ዮም። ኣነ ምስ ሃደምኩም ተደዋዊሎም ንኽወዳደቡ ብውሕዱ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ሰዓታት ክወስደሎም’ዩ፡ ዝሑላት’ዮም። ኣነ ከኣ ኣብዚ ግዜ’ዚ ነዊሕ ክጕዓዝ ይኽእል’የ። ኣነ ሰዓት ኣርባዕተ ምስ ወጻእኩ ምሸት ሰዓት 11 ኣቢላ ሄሊኮፕተር ክትዘውር ጀሚራ። እዛ ሄሊኮፕተር ፍልይቲ ኰይና ምንቅስቓስ ናይ ሰባት ብለይቲ ከተለሊ ትኽልእ ሄሊኮፕተር እያ። ኣነ ከኣ ካብቲ ትዘረሉ ዝነበረት ኣዝየ ርሒቐ ስለዝነበርኩ ግን ኣይተሰከፍኩን። ንጽባሒቱ ንግሆ ግን ድሒረ ከም ዝሰማዕክዎ ኣብ መላእ ኣስመራ ብርቱዕ ተፍትሽ ተኻይዱ፤ ንነዊሕ መዓልታት’ውን ይቕጽል ነይሩ። ኣነ በረኻ በረኻ’የ ዝኸይድ ነይረ። ንነብሰይ ካብ ኣራዊትን ካብ ካልእን መከላኸሊ ዝኾነኒ ነገራት ሒዘ ስለዝነበርኩ ከኣ ፍርሒ ኣይነበረንን። ልዕሊ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበርኩሉ እቲ ኣብ መንገዲ ዘጋጠመኒ ይኸፍእ ነይሩ። ቢቢሲ፡ ሕጂ ኣብ ኣሜሪካ ኢኻ ዘለኻ፡ ብኸመይ ኢኻ ናብ ኣሜሪካ ክተከይድ ክኢልካ? ሳምኤል ወልዳይ፡ ነዊሕ መዓልታት ዝወሰደ ኣዝዩ ድኻም ዝነበሮ ጕዕዞ’ዩ ነይሩ። ተጋዳላይ ብምንባረይ ብዙሕ ቦታታት ስለዝፈልጥ እቲ ከርተትን መከራን ስለዝፈልጦ ሓጊዝኒ ይኸውን፡ ዶብ ሰጊረ ሱዳን ኣትየ። ኣብ ደቡብ ኤርትራ ውግእ ስለዝነበረ፡ ኣነ ጕዕዞይ ናብ ሰሜናዊ ምዕራብ’ዩ ነይሩ፡ እቲ ዝመርጽክዎ ቦታ ብዙሕ ምንቅስቓስ ናይ ሰራዊት ዘይነበሮ እዩ ነይሩ። ናብ ሱዳን ምስ ኣተኹ ቀልጢፈ ናብ ኣሜሪካ ደዊለ። ንኢሳያስ ዓርቢ ሓርነት ረኺበዮ። ንሳቶም ናብ ኤምባሲ [ኣሜሪካ] ሓቢሮሙለይ። ኣሜሪካ ከኣ ኣይደንጎዩን ፓስፖርተይ ሒዞም መጺኦም ቦግ ኣቢሎም ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ናብ ኣሜሪካ ኣትየ። ቢቢሲ፡ ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ጕዕዞኻ ኢና ኣሕጺርና ክንድህስሶ ፈቲንና’ሞ ምናልባት ክትውስኾ ትደሊ ነገር ከይህሉ? ሳምኤል ወልዳይ፡ ኣነ ነዚ ቃለ መሕተት ዝገብሮ ዘለኹ ንዓኻ ወይ ነቲ ኣብ ሰለማዊ ህይወት ዝርከብ ሰብ ኣይኮነን። ንምንታይ እንተኢልካኒ ካብቶም ቀንዲ ዝስምዑ ራድዮታት ሓንቲ ቢቢሲ’ያ። ኵሎም እሱራት ተገዲሶም’ዮም ዝሰምዕዎ። ስለዚ እዚ ዝዛረቦ ዘለኹ ሳምኤል ወልዳይ ብሰላም ኣሜሪካ ከምዘለኹን እቶም ኣብኡ ተኣሲሮም ዝገደፍክዎም ብጾት ኣነ ንዐኦም ከፍትሕ’የ ተኣሲረ። ኣብኡ 30፡ 28፡ 20 ዓመታትን ካልእን ዝተኣሰሩ ሰባት ኣለዉ፡ ኣነ ኣምላኽ ተሓዊስዎ ሃዲመ ወጺአ፡ ዘይክኣል ነገር የለን። ኢድኩም ኣጣሚርኩም ኮፍ ኣይትበሉ፡ ዝግበር ዘበለ ኵሉ ግበሩ ክብሎም እደሊ። ቢቢሲ፡ የቐንየልና ሳምኤል","category":"ሰብኣዊ መሰላት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cm53p4z14mpo"} {"headline":"ኤርትራ: ን10 ዓመት ኣብ ቀይዲ እትርከብ ሲሃም ዓሊ ዓብዱ","content":"ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ መንግስቲ ኤርትራ ድርብ ዜግነት ኣመሪካን ኤርትራን ን ዘለዋ ጓል 15 ዓመት እንከላ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ንዝኣሰራ ሲሃም ዓሊ ዓብዱ ብቕልጡፍ ክፈትሓ ጸዊዑ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓላፊት ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ላቲትያ ባደር፡ \"መንግስቲ ኤርትራ ንህይወት ሲሃም ዓሊ ዓብዱ ካብ ጓል 15 ዓመት ኣትሒዙ ን10 ዓመት ኣሲርዎ\" ድሕሪ ምባል፡ “ንዓኣን ንኹሎም እቶም ብዘይ ሕጊ ኣሲሩዎም ዘሎ እሱራትን ብዘይ ዝኾነ ቅድመ-ኵነት ብቕልጡፍ ክፈትሖም ኣለዎ\" ኢላ። ሲሃም ዓሊ ዓብዱ፡ ጓሉ ንምኒስተር ዜና ኤርትራ ነበር ዓሊ ዓብዱ ኮይና፡ ኣብ 2012 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወት ይዝከር። መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓሳባትካ ብናጽነት ናይ ምግላጽ መሰል፡ ኣብ ልዕሊ ናይ እምነትን ኣምልኾን ዝኣመሰሉ ሰብኣዊ መሰላት ቀይድታት ኣምቢሩ ከምዘሎ ብዙሓት ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ክኸስዎ ጸኒሖም ኣለው። ኣብዚ እዋን ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ሰራዊት ኣይተሰለፍኩምን ንዝበሎም ንምህዳን፡ ገዛ ገዛ ብምእታው ዝግበር ተፍትሽ፣ ትካላትን መንበሪ ኣባይትን ምዕሻግ፡ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝነበረ ብዝሓየለ ኣገባብ ግፋታት ይካየድ ምህላው ይግለጽ። መንግስቲ ኤርትራ ብዘይ መብርሂ ንሰለስተ ካቶሊካውያን ካህናት፡ ኣባ ኣብርሃም ሃብቶም ገብረማርያም፣ ኣቦይ ምሕረትኣብ እስጢፋኖስን ጳጳስ ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስን ብ15 ጥቅምቲ ካብ ናይ ወጻኢ መገሻ ክምለሱ ከለዉ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ፡ ተሰዊሮም ይርከቡ። ሲሃም ብ3 ሚያዝያ 1997 ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ተወሊዳ። ይኹን እምበር ኣቦኣ ዓሊ ዓብዱ ኣሕመድ ብፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝምራሕ መንግስቲ ብምኒስተርነት ይሰርሕ ስለዝነበረ ብሕጻና ናብ ኤርትራ ከደት። ኣብ 2012 ምኒስተር ዜና ዝነበረ ወላዲኣ ካብቲ ስርዓት ነብሱ ኣግሊሉ ናብ ኣውስትራልያ ተሰደ። ወላዲኣ ነቲ ዘገልግሎ ዝነበረ ስርዓት ገዲፉ ምስ ሃደመ፡ ሲሃም ብ8 ታሕሳስ 2012 ድሕነታ ንከተውሕስ ናብ ሱዳን ክትሃድም ምስ ፈተነት እያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ። እታ ጓል 15 እንከላ ዝተኣስረት ሲሃም ብዝኾነ ይኹን ገበን ኣይተኸሰትን። ካብታ ዝተኣስረትላ እዋን ንደሓር እውን ዳግም ኣይተራእየትን። ሰበ-ስልጣን ኤርትራ፡ ዓሊ ዓብዱ ምስ ሃደመ ንወዲ 87 ዓመት ኣቦሓጎ ሲሃም ዓብዱ ኣሕመድን ንሓወቦኣ ሓሰን ዓብዱ ኣሕመድን እውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩዎም’ዩ። ኣባሓጎኣ ኣቶ ዓብዱ ከኣ ኣብ ታሕሳስ 2017 ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈትሑ ነዊሕ ኸይጸንሑ ዓሪፎም። ዘመድ ሲሃም ዓሊ ዓብዱ፡ ሲሃም ካብ እትእሰር ክሳብ ሕጂ ኣበይ ከም ዘላ ወይ ካብ መንግስቲ ዝዀነ ይኹን ሓበሬታ ከምዘይረኸቡ፡ ንሂዩማን ራይትስ ዎች ሓቢሮም። ብዓለም -ለኸ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት፡ ንሓደ እሱር ብሓይሊ ምስ ቀየድካዮ ዝርከበሉ ቦታን ሃለዋቱን ንስድራ ቤቱን ትካላት ፍትሕን ምስዘይትሕብር፡ ወይ እቲ ሰብ ኣበይ ከም ዝኣተወን ከም እተቐትለን ምስ ዘይፍለጥ “ግዱድ ምስዋር” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣህጉራውያንን ዞባውያንን ተዋሳእቲ፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ንሲሃም ድርብ ዜግነት ዝሃባ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኣበይ ከም ዘላን ሃለዋታን ንምፍላጥ ቅልጡፍ ሓበሬታ ክሓትትን ብህይወት ከም ዘላ ከረጋግጹን ብዘይ ቅድመ-ኵነት ንክትፍታሕ ክጽውዑን ከምዝግባእ ሂዩማን ራይትስ ዎች ሓቢሩ ። ኣብ ኤርትራ ከም ናይ ሲሃም ዘኣመሰለ ተርእዮ ሓዲስ ኣይኰነን። ብዙሓት እሱራት ብዝተኣሰርዎ፡ ኣብ ፍርዲ ከይቀረቡ፡ ሃለዋቶም ዘይፍለጡ ዜጋታት ብዙሓት'ዮም። እቶም ብጂ-15 ዝፍለጡ ኣባላት ላዕለዋይ ጽፍሕታት መንግስቲ ዝነበሩ፡ ኣዳለውቲ ጋዜጣታት ብሕቲ ጋዜጠኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ከምኡ'ውን ተቓውሞኣዊ ዝንባለ ኣርኢኹም ብዚብል ክሲ ዝተኣስሩ ዜጋታት ውሑዳት ከምዘይኮኑ ኣምነስቲ ኢንተርናሺናል ዝርከቦም ሓያሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክዛረቡ ጸኒሖም እዮም። ብሓጺሩ ኣብ ኤርትራ፣ ምእሳር፣ ምድስካል፣ ምንጻል፣ ምሽራብ ዜጋታት ዝውቱር'ዩ። ኮሚሽን ምጽራይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት (ኤርትራ) ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኤርትራ ሓቲትካ መልሲ ዘይርከበሉ፡ ኣቤት ዘይትብለሉ ክሳብ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝኸይድ ከቢድ ግህሰት ከምዝፍጸም ገሊጹ ነይሩ።","category":"ሰብኣዊ መሰላት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c0jg3jnjp91o"} {"headline":"ኤርትራ እትርከበን 12 ሃገራት ዘሎ ሃይማኖታዊ ነጻነት ዘተሓሳስብ እዩ - ኣሜሪካ","content":"ኣሜሪካ፡ ኤርትራ ሓዊሱ ኣብ 12 ክልተ ሃገራት ዘሎ ሃይማኖታዊ ነጻነት ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኵነታት ከምዘሎ ገሊጻ። ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብቤት ጽሕፈቱ ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣሜሪካ ኣብተን ኣህጉራዊ ሕግታት ነጻነት ሃይማኖት ዝጥሕሳ ኢላ ዝዘርዘረተን ሃገራት ዘሎ ኵነታት ከምዘተሓሳስባ ገሊጹ። ኣብቲ ዝርዝር ዝተጠቐሰት ኤርትራ፡ ሃይማኖታዊ ነጻነት ደሪታ ብምባል ብተደጋጋሚ ብኣሜሪካን ዝተፈላለዩ ተጣበቕቲ መሰላትን ክትነቅፍ ጸኒሓ እያ። መራሕቲ ሃይማኖት ኤርትራን ምእምናንን ከምዝእሰሩንከምኡ’ውን ዘመሓድርዎም ትካላት ከምዝዓጸዉን ከምዝሃገሩን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ተጸብጺቡ እዩ። ኣብቲ መግለጺ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣስማት ናይተን ምስ እምነት ዝተኣሳሰር ጭቆናን ከቢድ ምግሃስ መሰል ሃይማኖታዊ ነጻነትን ዝፍጽማ ሃገራት ብዝርዝር ተጠቒሱ ኣሎ። ብተወሳኺ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ሃይማኖታዊ መሰረት ዘለዎም ዕጡቓት ጕጅለታት ኣብ ዝርዝር ስግኣት ኣስፊሩ እዩ። ብመሰረት እዚ፡ 12 ሃገራት ዝተጠቐሳ ክዀና እንከለዋ፡ ካብ ኣፍሪቃ እንኮ ዝተረቝሐት ሃገር ኤርትራ እያ። እተን ነጻነት ሃይማኖት ዝድርታ ተባሂለን ዝተጠቐሳ ካልኦት ሃገራት በርማ፡ ቻይና፡ ኩባ፡ ኢራን፡ ኒኳራጓ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ፓኪስታን፡ ሩስያ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ታጂኪስታንን ቱርክመኒስታንን እየን። ብዘይካ’ቲ ኣብ ኤርትራ ሃይማኖታዊ ትካላትን ሰዓብተንን ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ግህሰት፡ ኣብታ ሃገር ከም ሃይማኖታዊ ትካላት ክንቀሳቐሳ ዝተፈቕደለን ሃይማኖታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን፡ ሉተራን ቤተ ክርስቲያንን ሱኒ እስልምናን ጥራይ እየን። ካብተን ዘተሓሳስባ ዝተበሃላ ሃገራት ብተወሳኺ፡ ኣልጀርያ፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ኮሞሮስን ቬትናምን ሃይማኖታዊ ነጻነት ብምግሃስ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ፍሉይ ቆላሕታ ክወሃበን ምዃኑን ብሊንከን ኣመልኪቱ። ንሱ ወሲኹ፡ ምስ እምነት ዝተኣሳሰሩ ዕጥቃዊ ንጥፈታት ዘካይዱ ጕጅለታት'ውን ፍሉይ ስግኣት ምዃኖም ጠቒሱ። መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ኣብ ሶማልያ ኣልሸባብ፡ ኣብ ናይጀርያ ቦኮ ሓራም፡ ኣብ ሶርያ ሓያተ 'ታሕሪር ኣልሻም፡ ኣብ የመን ሑቲ፡ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ኣይኤስ፡ ኣብ ኢራን ኣይኤስ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ማሊ ጀማዓት ዝተበሃሉ ጕጅለታት ከምዘለለየት፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንክ ገሊጹ። ብዘይካ’ዚ፡ ሓይልታት ኣሜሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጹ ኣብ ምግባር መሪሕነት ዝወሰደ ጣሊባንን ከምኡ’ውን ዋግነር ዝተባህለ ሩስያዊ ጕጅለ ዕሱባት ወተሃደራት ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ብዝገበሮ ንጥፈታት፡ ካብቶም ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ነጻነት ሓደጋ ዝፈጠሩ ዝተበሃሉ ጕጅለታት እዮም። ኣሜሪካ ኣብ መላእ ዓለም ሃይማኖታዊ ነጻነት ክኽበር ትገብሮ ምክትታል ከምትቕጽልን ምስተን ጥሕሰት ዝፍጽማ ሃገራት ርክብ ብምግባር ናይ ምምሕያሽ ጻዕርታት ከምትገብርን እቲ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ሓቢሩ።","category":"ሰብኣዊ መሰላት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c512lk4zw3po"} {"headline":"ኣብ ጎረባብቲ ሰላም እናተባህለ ስለምንታይ ኣብ ኤርትራ ጽዑቕ ግፋ ዝቕጽል ዘሎ?","content":"መንግስቲ ኤርትራ ንመንግስቲ ፈደራል ብምድጋፍ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝተሳትፎ ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ፕሪቶርያን ናይሮቢን ብስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምውድኡ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ቀጻልን ጽዑቕን ግፋ ይካየድ ኣሎ። ሰላም እናተባህለን እናተዘመረን ስለምንታይ እዩ መንግስቲ ኤርትራ መንእሰያትን ሽማግለታትን ዝገፍፍን ዘዕጥቕን ዘሎ? ነዚ ሕቶ እዚ ንምምላስ ቢቢሲ ትግርኛ ንዶክተር ኣሰፋው ተኸስተ፡ ንኣቶ ሰንጋል ወልደንሰአን ኣቶ ወልደየሱስ ዓማርን ኣዘራሪቡ ኣሎ። ኢሳይያስ ከም ሓያሎ መለኽቲ ስርዓታት ኣብ ዕድመ ስልጣኑ ኣብ ህዝቡ ብዝፈጸሞ ደረት ዘይብሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ስለዝኽሰስ፡ ካብ ህዝቢ ናዕቢ ንከይመጽኦ ስግኣት ከምዘለዎ ይግመት። ስለዝኾነ፡ ዋላ እውን ሰላም ኮይኑ እንተተባህለ፡ እቲ ብኣስገዳድ ኣብ ዘይምልከቶ ውግእ ኣትዩ ዝጸንሐ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዕቑር ሰራዊት ናብ ቤቱን ዋኒኑን ክምለስ ክሓትት ይኽእል እዩ። ሰራዊቱ ሕቶ ከየልዕል ስለዝሰግአ ከኣ እዩ ሕጂ እውን ኣብ ፈቐዶ ገጠራትን ከተማታትን ንኣዴታትን መርዑን ደቅኽንን ሰብኡትክን ኣምጽኣ እናበለ ጽዑቕ ግፋ  ብምክያድ ነቲ ዓቕሚ ኣብ መዓስከራት ዝሕዞ ዘሎ ይብል ገዲም ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባርን ሕጂ ኣብ ዩኒቨሪሲቲ የል ሌክቸረርን፡ ዶር ኣሰፋው ተኸስተ። “ኢሳይያስ ሃገራዊ ትካላት ክህነጽ ስለዘይደሊ፡ ኤርትራ ምዱብ ዘበናዊ ሃገራዊ ሰራዊት ክትሃንጽ ኣየፍቀደን። ነቲ ካብ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝኣተወ ምኩር ሰራዊት ብፍላይ ከኣ ነቲ መንእሰይ ወለዶ ብፍልጠትን ክእለትን አዕጢቑ ቅርጡው ግን ከኣ ስልጡን ልዑላውነት ሃገር ዝከላኸል ብቕዋም ዝእዘዝ ሰራዊት ክሃንጽ ይኽእል ነይሩ። “ከምኡ ስለዘይገበረ እቲ ንኣስታት ዕስራ ዓመት ኣብ ድፍዓት ዝጸንሐ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎትን ብስም ዕቑር ሰራዊት ዝኸተተ ሓይሊ እንተተጣይሱ እንታይ ሒዙ ክተርፍ እዩ? እዚ እውን ካልእ ስግኣት እዩ ንዕኡ” ይብል። ኤርትራ ብኩናት ዝዓነወ ቁጠባኣ ንምህናጽ፡ ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድሚኡ ነብሲ ወከፍ ዜጋ ናይ 18 ኣዋርሕ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክፍጽም ዘገድድ ኣዋጃ፡ ካብ 1994 ኣትሒዙ ዓመታዊ ልዕሊ 10 ሽሕ ናይ መበል 11 ክፍሊ ትምህርቲ ዝወድኡ መንእሰያታ ናብ ታዕሊም ክውሕዙ ጸኒሖም ኣለው። እቶም ንሽዱሽተ ወርሒ ተዓሊሞም ናይ ዓመት ኣገልግሎት ፈጺሞም ነናብ ዋኒኖም ክምለሱ ዝግበኦም ዝነበረ መንእሰያት ግን ብሰንኪ ኤርትራ ምስ ኩለን እተን ብመሬት ዝዳወብኣ ጎረባብቲ ሃገራት ዝኣተወቶ ውግእ ብዙሓት ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣብ ሰራዊት ክጸንሑ ተገዲዶም እዮም። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣገልግሎት ዝነውሖምን ብምሕደራ እቲ ስርዓት ዝተማረሩን መንእሰያት ከኣ ንስደት ዊሒዞም። ሕጂ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነብር፡ ኣብ ስሳታት ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ቀዳሞት ዓመታት ዩኒቨርሲቲ ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩዎ ዝተማህረ መሪሕነት ሰውራዊ ባይቶ ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር፡ ኢሳይያስ ማዕረ ማዕረ እቲ ጻዕሩን ተባላሓትነቱን “ተበኣስን ተቐያምን” ምዃኑ ብምግላጽ፡ “ዕርቀ ሰላም እናተባህለ ገና ስግኣትና ኣይተቐንጠጠን እናበለ ህዝቢ እናበሳበሰ መንእሰያት ዝገፈሉ ዘሎ ምኽንያት መጻኢ ስለዘይብሉ እዩ” ይብል። ካብ ነጻነት ኤርትራ (1991-2012) ኣብ ዝተፈላለየ ሚኒስትሪታት ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ መንግስቲ ዝሰርሐ፡ ሕጂ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብር ኣቶ ሰንጋል ወልደንሰአ ብወገኑ “እቲ ሓጺር መልሲ፡ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ሰላም ክነብር ስለዘይክእል እዩ” ይብል። ምኽንያታቱ እንከረድእ ከኣ፡ ኣብ ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት ዝበዀረ ከም ትግባረ ቅዋምን ምምስራት ደሞክራሲያዊ ስርዓትን ምንጋስ ልዕልና ሕግን ፍትሕን ዝኣመሰለ ዓበይቲ ነገራት ስለዘሎ፡ “ኢሳይያስን ጉጅልኡን” ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ዜጋታቶም ከቢድ ሰብኣዊ ግህሰት ስለዝፈጸሙ፡ ሰላምን ምርግጋእን እንተመጺኡ ክሕተቱ ስለዝኸእሉ ውሕስነት ኣይስመዖምን እዩ። ስለዝኾነ ከኣ እዮም ነቲ ህዝቢ ኣብ ውግእን ወረ ውግእን ከንብሩዎ ዝፍትኑ ይብል። ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ህወሓትን ኣብ ፐሪቶርያ ስምምዕ ሰላም ምስተፈረመ መንግስቲ ኤርትራ “ንሓድሽ ኣጀንዳ ኣመሪካ ንምምካት- ሕጂ’ውን  ጽንዓት ብዝበረኸ ንቕሓት!” ብዝብል ኣርእስቲ መንግስቲ ኣመሪካ ንስርዓት ወያነ ንምድሓንን እቲ ዞባ ነባሪ ሰላም ንኸይረክብ ትሰርሕ ከምዘላ ዝኸስስ ጽሑፍ ምዝርገሖም ከኣ ሓደ ኣብነት ምዃኑ ይዛረብ። እቲ “ገና ጸላኢ ኣሎና” ዘስምዕ ጽሑፍ “ ማእከል ወኪል ስለያ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኣብዚ ዞባ እዚ ቅልውላው እናፈጠረ ሽግራት ከሳስን ከመሓድርን ጸኒሑ እዩ።” ከብል ይኸስስ። ኣቶ ሰንጋል ወልደንሰአ፡ ስርዓት ኢሳይያስ ነቲ ሕሉፍ ናይ ፎስተር ዳላስ ታሪኽ ሓምሳታት እናልዓለ “ ኣመሪካ ጸላኢትና እያ ዝብል ናይ መንግስቲ ኤርትራ ምስምስ ሕጂ ትርጉም ከምዘይብሉ፡ ኣመሪካ ኤርትራ ነጻነታ ንምርግጋጽ ህዝበ ውሳነ ከተካይድ እንከላ ካብተን ኣፍልጦን ፋይናሲያዊ ደገፍን ዝሃባ ሃገራት ምኻና ብምግላጽ፡ “ብዘበን ውቤ ዝጸመመስ ውቤ ክብል ይነብር” ከምዝበሃል እዚ ኣመሪካ ጸላኢትና እያ ዝብል ዘረባ ብዙሕ ትርጉም ከምዘይብሉ ይገልጽ። ይኹን እምበር እቲ ዘረባ ምስተደጋገመ ዝኣምኖ ስለዘይሰኣን እቲ ስርዓት ብቐጻሊ ይጥቀመሉ ከምዘሎ ይዛረብ። እንተኾነ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣመሪካ እትመርሐን ሃገራት ምዕራብ ኤርትራዊ ዓቕሚ ብምምጻይ ኮነ ብምስምስ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንኤርትራ ንምስይጣን ብቐጻሊ ይሰርሓ ከምዘለዋ እዩ ዝገልጽ። እቲ ኣብ ጽባሕ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ “ንሓድሽ ኣጀንዳ ኣመሪካ ንምምካት- ሕጂ’ውን  ጽንዓት ብዝበረኸ ንቕሓት!” ብዝብል ኣርእስቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተጻሕፈ ናይ ተቓውሞ ጽሑፍ እውን ነቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኮነ ወሃብ ቃል መንግስቲ ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ዘንጸባርቕ እዩ ይብል ኣቶ ሰንጋል ወልደንሰአ። እቲ ንስምምዕ ሰላም ብዝምልከት ዝቐረበ “ ኣብ መሬትን ብግብርን፡ ብኹልትናዊ ዓቕምን ቁመናን  ንዝጠፍአ  ህወሓት፡ ኣብ ወረቐትን ኣብ ዝኽርን’ውን ከይጠፍእ … ኣመሪካ ናይ ህይወት ኣድሕን ተራ ብምጽዋት ኣብ ኣፈታትሓ ናይቲ ግጭት ርኡይን ግሁድን ዕምጸጻ ተፈጺሙ” ክብል ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ዕርቀ ሰላም ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ዘይፍትሓዊ ተራ ከምዝፈጸመት ይኸስስ። ነዚ ጽሑፍ እዚ ምርኩስ ብምግባር ከኣ ‘ኣመሪካ ገና ስለዘይደቀሰትልና ኤርትራ ኣብ ስግኣት እያ ዘላ’ ብዝብል ዘረባ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ኤርትራ ቀጻሊ ግፋን ሃድንን ይካየድ ኣሎ። ‘ኣሜሪካ ስለምንታይ እያ ንኤርትራ ትጸልኣን ንከይትምዕብል ትቐንኣላን?’ ዝብል ዘረባ ትርጉም ከምዘይብሉ ዝገልጽ ሰንጋል፡ እቲ  ዛጊት ኤርትራ ኣለዋ ዝበሃል ከም ሃብቲ ዝቑጸር፡ እቲ ኣብ ሰፊሕ ዝገማግሙን ቀንዲ መስመር ንግዲ ዓለም ዝኾነ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ስለ እትርከብ እዩ። ዋላ እውን ኤርትራ ኣብ እስትራቴጂካዊ ቦታ ትደኮን መንግስታ ንኣመሪካ ይኹን ንኻልእ ማንም ሃገር ንቡር ንግዳዊ ንጥፈታት ከተካይደሉ ክኽልክል ሕጊ ከምዘየፍቅደላ ይገልጽ። ምንጭታት ቢቢሲ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር፡ ወይ ሰብኡትክንን ደቅኽንን ኣምጽኣ እናተባህላ ወሊደን ዘመርዓዋ ኣዴታት ከይተረፈ፡ ኣብ ክንዲ ንልዕሊ 15 ዓመታት ኣብ ሰራዊት ዘገልገሉ ሓዳር ተኺሎም ደቆምን ኣንስቶምን ክኣልዩን ክናብዩን ዘይከኣሉ ደቀን ከምዝተኣስራ  ዝበጽሖ ጸብጻባት ይገልጽ። ሓያሎ ብሰራዊት ትግራይ ዝተማረኹ፡ ዕድመ ዝደፍኡ ደቂ ስሳን ልዕሊኡን ኣባል ዕቑር ሰራዊት ኤርትራውያን ኣቦታት፡ መንግስቲ ኤርትራ ንደቆምን ስደራኦም ካብ ገዛ ኣውጺኦም ኣብ ግዳም ምስደርበዩዎም ንደቆም ከድሕኑ ክብሉ ከይፈተው ተገዲዶም ናብ ውግእ ከምዝኣተው ብማሕበራዊ ሚድያ ጸገሞም ክገልጹ ተራእዮም እዮም። ሓደ ካብ ኤርትራ ንቢቢሲ ሓበሬታ ዝሃበ ንድሕነቱ ስሙ ዝተዓቀበ ሰብ፡ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ዝቕጽል ዘሎ ግፋን ሃድንን፡ ኣብቲ ህዝቢ ደቂ መን ተገፊፎም ናብ ውግእ ክኣትው ደቂ መን’ከ ካብ ሰራዊት ኮብሊሎም ወይ ሃዲሞም ክነብሩ ካብ ዝብል ስምዒት፡ እቲ ህዝቢ ኣንጻር ሓድሕዱ ስለዝቐንዐ “ኤርትራ ንኹላትና ሓደ እያ ትብጽሓና ብማዕረ ከኣ ከነገልግላ ኣሎና” ብዝብል ስምዒት እቲ ግፋ ይካየድ ከምዘሎን ንመጻኢ እውን ከምዘይተርፍን ሓቢሩ። ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ንሓድሕዱ ካብ ምጥምማት ወጺኡ፡ እዚ ሕጂ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ነጻነት ዘምጸአ ስርዓት፡ ሕድርን መብጽዓን ናይቶም ንዓወት ዘብቅዑዎ ሰማእታቱ ከኽብር እንታይ ገይሩ? ሓድነትን ክብረትን ህዝቢ ክሕሉ እንታይ ገይሩ?  ኣብ ናይ 30 ዓመት ስልጣኑ እቲ ኣብ እዋን መግዛእቲ ብዓመጽ ዝገሃስ ዝነበረ መባእታዊ ሰብኣዊ መሰላት ኣኽቢሩዎ’ዶ? ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ቀሲኑ ብሰላም ክነብር፡ ወፊሩ ክኣቱ፡ ገይሹ ክምለስ፡ ሓረስታይ ክሓርስ፡ ነጋዳይ ክነግድ፡ ተማሃራይ ክመሃር ዕድላት ፈጢሩ’ዶ ዝብል ሕቶ ክምልስ ይግባእ ብምባል “ኢሳይያስን ስርዓቱን ኣብ ዕድመ ስልጣኖም ብዙሕ ስለዘበላሸው ብሕጂ ክቕይሩ ይኽእሉ እዮም” ዝብል እምነት ከምዘይብሉ ይገልጽ። ዶር ኣሰፋው ብወገኑ፡ መንግስቲ ኤርትራ ይትረፍ ንመንእሰያት ንዓበይቲ እውን ከይተረፈ ካብ ከተማታትን ዓድታትን እናገፈፈ ኣብ ዝተፈላለየ መዓስከራትን እዝን ብምእታው ክቆጻጸሮም ስለዝደለየ  ጥራሕ እዩ ብቐጻሊ ግፋ ነቲ ህዝቢ ሰላም ከሊኡዎ ዘሎ ይብል። “ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ብዘይፍታዉ፡ ኢሳይያስ ብኣስገዳድ ደቁ ዘጥፍኣሉ ውግእ ሕጉስ ብዘይምዃኑ ኣብ ሰራዊት ኮነ ኣብ ህዝቢ ቁጠዐ ዝደፍኦ ምልዕዓል ከይፍጠር ሻቕሎት ኣለዎ” ይብል። ኣቶ ሰንጋል ወልደንሰአ፡ ክንዲ ዓበይቲ ከተማታት ጎረባብትና ካርቱም፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ናይሮቢ ዝብዝሒ ህዝባ ኤርትራ፡ ንህዝቡን ሃገሩን ዝሓሊ ሓያል መራሒ እንተዝነብራ በቲ ዝርካቡ ንዋታውን ሰብኣውን ጸጋታታ ክሳብ ሎሚ ሓያል ቁጠባዊ ትሕተ ቕርጺ ክትፈጥር ከምእትኽእል ይሕብር። መንግስቲ ኤርትራ ክልተ ሳዕ ሓሲቡ ኣብ ክንዲ ጎንጽን ግርጭትን ውግእን ኵናትን፡ ምስ ጎረባብቱ ብፍቕርን ስኒትን ሰላምን ርግኣትን ክነብር እንተሓሲቡ መሪሕነቱ እንተተዓራርዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሰሪሑ ዝናበር ጻዕራም ሰራሕተኛ ህዝቢ ስለዝኾነ ዝሓሸ ሰላማዊ ናብራ ከሕልፍን ካብዚ ሕጂ ዘለዎ ግፋን ከልበትበትበትን ውግእን ወረ ውግእን ሞትን ስደትን ክድሕን ዓቢ ተስፋ ከምዘለዎ ይገልጽ።","category":"ሰብኣዊ መሰላት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cpw4zpy5xlyo"} {"headline":"መንግስቲ ኤርትራ ንጻውዒት ሰላማዊ ሰልፊ ይምልስ ዶ?","content":"ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኣውሮጳን ኣመሪካን ዝነብሩ ኤርትራውያን ብምኽንያት እቶም ኣብዚ ቀረባ እዋናት ብኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ዝተኣስሩ ኣቡናትን ካህናትን ዝርከቡዎም መራሕቲ ሃይማኖት ኣቦታት ካብ ማእሰርቲ ንኽፍትሑ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፍታት ንምክያድ ይንቀሳቐሱ ኣለዉ። ወደብቲ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፍታት ከምዝሓበርዎ፡ ኣብ ሮማ ኢጣልያ ሎሚ ሰንበት 13 ሕዳር ኣብ ፒያሳ ቬነስያን ቫቲካንን፣ ኣብ ለንደን ቀዳም 19 ሕዳር ኣብ ዌስት ሚኒስተር ካቴድራል፣ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ንዓርቢ 18 ሕዳር፣ ኣብ ስቶክሆልም ሽወደን ከኣ ን26 ሕዳር ናይ ተቓውሞ ድምጾም ከስምዑ ናብ ህዝቢ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለው። ይዅን እምበር፡ ቅድሚ ሕጂ ንግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ማእሰርቲ መራሕቲ ሃይማኖት ክርስትናን ምስልምናን ምርኩስ ብምግባር ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ “መንግስቲ ኤርትራ ብጻውዒት ሰላማዊ ሰልፊ ተደሪኹ ለውጢ ይገብርዶ?” ዝብል ሕቶ ዘልዕሉ ኣለዉ። ሓደ ካብቶም ንሰላማዊ ሰልፊ ኢጣልያ ዝወደቡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት መንእሰይ ኣብርሃም ተስፋይ፡ እዚ ሰላማዊ ሰልፍታት ብቐንዱ ነቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለው ተቓውሞኦም ክገልጹ ዘይክእሉ ክዛረቡን ክጽሕፉን ዘይፍቀዶም ኣፎም ተዓቢሱ ዘሎ ኣሕዋትና ድምጺ ንምዃን ስለዝዀነ መንግስቲ ኤርትራ ይስማዕ ኣይስማዕ ይመልስ ኣይመልስ ብዙሕ ትርጕም ከምዘይህቡዎ ይገልጽ። “ንሕና ከም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይዅን ኵነታት መንግስቲ ኤርትራ ንዝፍጽሞ ግህሰት ሰባዊ መሰላት ምቅላዕ እዩ። እዚ ስርዓት እዚ ድምጺ ህዝቡን ኣሕዋቱን ክሰምዕ ስለዘይከኣለ ከኣ ኵሉ ሳዕ ብዝፍጽሞ ግፍዓዊ ተግባራት ኣብ ቅድሚ ዓለም ዕርቃኑ ወጺኡ ኣሎ፡” ይብል ነባሪት ለንደን ተኸታሊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ፍረወይኒ ብርሃነ፡ ክብርታት ቤተክርስትያን ኣክንዲ ዝተወጽዐን ዝተበደለን ቁም፡ ንሰላምን ንፍትሕን ተዓጠቕ ስለዝብል፡ ዋላ'ውን ገሊኦም ምእመናን ኣሕዋትና እንተስ ብፍርሒ እንተስ ብጕርሒ ድምጾም ካብ ምሃብ እንተተዓቀቡ እቲ ብሕልናኡ ዝግዛእ ዘበለ ግን ድምጹ ካብ ምሃብ ድሕር ከምዘይብል ትዛረብ። “ቤተክርስትያን ወትሩ ኣብ ቅድሚ ሓቅን ፍትሕን እያ ደው ክትብል ዝግብኣ። ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጥራይ ዘይኰነ ኵለን ካልኦት እምነታት ክርስትናን ምስልምናን እውን ከይተረፈ መርሓአን ተመሳሳሊ እዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ ኢና ንሕና ነቶም ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ሓፍትኻ ኣበይ ኣላ? ብምባል ደሃይ ኣሕዋትና ክንገብር ብመንፈሳዊ ምኽሮም ዝመዓዱናን ዝመኸሩናን መማህራን ፍትሒ መራሕቲ ሃይማኖትና “ ኣቦታትና ኣበይ ኣለው?” መራሕቲ ሃይማኖትና ኣበይ ኣለው? ብምባል ደሃዮም ሃለዋቶም ክንገብር ግቡእና እዩ” ትብል። ብዙሓት ተመራመርትን ጸሓፍትን ጐነጻውን ሰላማውን ቃልስታት፡ ካብቲ ደም ዘፋስስ ህይወት ዘጥፍእ፡ ንብረትን ዕድላትን ዘዕኑ፡ ጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ እቲ ሰላማዊ ቃልሲ ከም ዘድምዕ ይምጕቱ። ይዅን እምበር ውሑዳት ዘይኰኑ ካልኦት ከኣ እንተደኣ ሰላማዊ ቃልሲ ፍረ ዘየምጺኡ እቲ በትረ ስልጣን ዝሓዘ ሓይሊ ብብረትን ጠበንጃን ዝጭፍልቐካ እንተዀይኑ ብዘይካ በቲ ንሱ ዝጥቀመሉ ቋንቋ ምግጣሙ፡ እንተዘይኰይኑ ካልእ ኣማራጺ ከምዘየሎ የረድኡ። “ምእንቲ ፍትሒ ደው ክንብልን ድምጽና ከነስምዕን ኣለና” እትብል ፍረወይኒ፡ ምጕታ ብምቕጻል፡ ኣብ ኤርትራ፡ ብዘይካ ንመንግስቲ ክትድግፍ ኣብ ጐደናታት ወጺእካ ናይ ተቓውሞ ሓሳብካ ክትህብ ፍቝድ ስለዘይኰነ ህዝቢ ድምጺ የብሉን። ስለዝዀነ ኵሉ ሰብ ርእሱ ኣድኒኑ እዩ ዝኸይድ ዘሎ እምበር ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰባዊ መሰላት ብፍላይ ሎሚ ኣብ ነብሲ ወከፍ ቤት ከምዝኣተወ ትዛረብ። “ንሓንሳብ ህዝቢ፡ ነታ ወርሓዊ ዝረኽባ መቝነን ኩፖን መታን ከይስእን ዕረ እናጠዓሞ ንመንግስቲ ክድግፍ ተገዲዱ እዩ ናብ ጐደናታት ዝወጽኣሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ። ንሱ ግን ናይ ልቢ ኣይኰነን። መራሕቲ ሃይማኖት ተተጨውዮም እናተኣስሩ፡ ፓትሪያርክ ዝኣኽሉ ኣቦ ሃገር ኣብ ቤት ማእሰርቲ እናሞቱ፡ ደቂ ስሳን ሰብዓን ተተገፊፎም ኣብ ውግእ እናተጠብሱ ከመይ ኣቢልካ ኢኻ ነቲ ስርዓት ትድግፎ?” ትብል ፍረወይኒ። መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ እቶም ኣብዚ ቐረባ እዋናት ዝተኣስሩ ኣቡነ ፍቕረ ማርያም ዝርከቡዎም ሰለስተ ካህናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን በብእዋኑ ገሊኦም ንነዊሕ ዓመታት ዝተኣስሩ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖት ዝዀነ ይዅን መግለጽን ሓበሬታን ኣይሃበን። ይዅን እምበር ንነጻነት ሃይማኖት ዝምልከት ሕቶታት ክለዓል እንከሎ ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል፡ ኤርትራ ናጽነት እምነት ከምዘለዋ፡ ኣስላምን ክርስትያንን ብዘይ ዝዀነ ይዅን ጸገም ብሓባር ከምዝነብሩ እዩ ዝገልጽ። ተጋዳላይ መጐስ ብርሃነ፡ “ሓቁ እዩ ሚኒስተር የማነ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ መንጐ እምነታት ምንም ጸገም የሎን። እቲ ጸገም እቲ ስርዓት እዩ። እቲ ስርዓት እዩ ኣብ ምሕደራ እምነታት ኢዱ እናእተወ ነቲ ካብ ጥንቲ ዝጸንሐ ውህደት (ሃርሞኒ) ክዘራርጎ ዝፍትን ዘሎ” ብምባል መንግስቲ ኤርትራ ካብ ፈለማ 90ታት ኣትሒዙ ንመራሕቲ ሃይማኖታት እስላምን ናይ ዝተፈላለያ ዲኖሚኔሺን እምነታት ክርስትና፡ ጅሆቫ፡ ፔንጠኮስጠ፡ ኣርቶዶክስን ካቶሊክን ብቐጻሊ ይኣስርን የጋፍዕን ከምዘሎ ይገልጽ። መንእሰይ ኣብርሃም ተስፋይ፡ ኣብተን ብደሞክራሲያዊ ስርዓተ ምሕደራ ዝነባበራ ሃገራት፡ ዜጋታት ሓንቲ ሃገር፡ ኣንጻር ረብሓና’ዩ ንዝበልዎ ፖሊሲታት መንግስቲ ክኽለስን ክምለስን ብምሕላን፡ ኣብ ጐደናታት ወጺኦም ድምጾም ዘስምዕሉ ሰላማዊ ጻውዒት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ “እዞም ብደሞክራሲያዊ ስርዓታት ኣብ ዝመሓደራ ሃገራት ምዕራብ እንነብር ዘሎና ኤርትራውያን፡ ካብቲ ብዙሕ እንርእዮ ንእሽቶ ነገር ኣብ ዓድና ክትግበር ስለእንምነ ኢና ዋላ እውን ብቝጽሪ ንውሓድ ብቐጻሊ ሰልፍታት ነካይድ፡” ይብል።","category":"ሰብኣዊ መሰላት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3gve2vng4xo"} {"headline":"ንናይ ኣሜሪካ ሕጊ ምንፃል ጥንሲ ዝዋሃብ ዘሎ ግብረ መልሲ","content":"ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ 'ሮ ቨርሰስ ዋድ' ተባሂሉ ዝፅዋዕ መሰላት ምንፃል ጥንሲ ዝምልከት ሕጊ ምቕያሩ ስዒቡ ካብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ዓለም ዝተፈላለየ ግብረ መልሲ ይዋሃቦ ኣሎ። ኣብታ መዓልቲ ውሳነ ዝተውሃበላ መዓልቲ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን \"ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕማቕ ውሳነ ኣሕሊፉ\" ክብል ነቒፍዎ። ጥልያን ኣብ 1983 እያ ምንፃል ጥንሲ ዝፈቅድ ሕጊ ኣውፂኣ። ሕዚ ሕጊ ኣሜሪካ ተኸቲሉ እቶም ናብ ካቶሊክ ዝቐረቡ ተረርቲ  ዓቃባውያን ፖለቲከኛታት ከምብሓድሽ የለዓዕልዎ ኣለዉ። \"ዘሕፍር ውሳነ \" ክትብል ዝገለፀቶ ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ትሰርሕ ኣብ ሰሜናዊ ኣየርላንድ ን መሰል ምንጻል ጥንሲ ኣብ ኣበርቲዓ ዝተቓለሰት ግሬን ታጋርት እያ። እቶም ኣብ ኣይርላንድ ምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ ምዃኑ ተስፋ ኣቑሪፅዎም ዝነበሩ ዓቃባውያን እንደገና ተተባቢዖም ምንቅስቓሳት ይጅምሩ ኣለዉ። ብኣንጻሩ ምርጫ ዘተባብዑ ወገናት ድማ ሰንቢዶም እዮም። ብዛዕባ እታ ብ2012 ኣብ ኣየርላንድ ምንጻል ጥንሲ ስለዘይተፈቐደላ ብረኽሲ ዝሞተት ሳቪታ ሃላፕፓናቫር ዝገልጽ ዛንታ ኣብ ኣየርላንድ ብሰፊሑ ይዝርጋሕ ኣሎ ፣ ሰባት ንኣመሪካውያን ተመሳሳሊ ሞት ከየጋጥሞም የጠንቅቕዎም ኣለዉ ። ሓንቲ ኣደ ዋላ ኣብ ሓዳ ሓደጋ ትኹን ወይ ብጾታዊ ዓመጽ ወይ ምስ ቀረባ ዘመድ ብዝግበር ጾታዊ ርክብ ዝተፈጥረ ይኹን ካልእ ዝኾነ ይኹን ምንጻል ጥንሲ ኣብዘይፍቀደካ ኤል ሳልቫዶር ቀንዲ ተጣባቒት መሰላት ምንጻል ጥንሲ ዝኾነት ማሪያና ሞይሳ \"እዚ ነቶም ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ብቐጻሊ ዝኽሕዱ ዓቃባውያን ጕጅለታት ዘተባብዕ እዩ\" ኢላ። “ንሰብኣዊ መሰላትን ደቂኣንስትዮን ምኽሓድ ውጽኢት ማህሰይቲ ዝዀኑ ቘልዑ ንኽወልዳ ምግዳድ\" ድሮ ነቲ ድኻ ሕብረተሰብ ዝጸልው እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ እቶም ንፓርላማ ኤል ሳልቫዶር ዝቈጻጸሩ ጸረምንጻል ጥንሲ ዝዀኑ ፖለቲከኛታት ነዚ ስጕምቲ እዚ ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐቢሎምዎ እዮም። ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ዘለዎም መርገጺ ከኣ ኣብ ሃገራት ኣመሪካ ዓብላሊኣረኣእያ ዀይኑ ኸም ዝቕጽል ኣትሪሮምይዛረቡ ኣለዉ። ካብ 1983 ኣትሒዙ ኣብ ካናዳ ምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጀስቲን ትሩዶ  ንደቂ ኣንስትዮ \"ዓቢ ዕንቅፋት\" ከምኡውን \"ዘስካሕክሕ\" ብምባል ንቲ ዘለዎ ርእይቶ ገሊጹ። ብኣንጻሩ ራይትናው ዝተብሃለ ንህይወት ዝጣበቕ ትካል \"ነቶም ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ መሓዙትና ብሓቂ ታሪኻዊት መዓልቲ\" ለምዝኾነት ዝገልጽ ጽሑፍ ትዊት ገይሩ። ኣብህንዲ ምንጻል ጥንሲ ኻብ 1971 ኣትሒዙ ሕጋዊ ዀይኑ ጸኒሑ እዩ። ኣብህንዲ ዝርከቡ ተጣበቕቲ ፍትሒ ጾታ ነዚ ብይን እዚ \"ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዕንቅፋት ዝኸውን ዓቢዪ ስጕምቲ\" ብምባል ወቒሶምዎ። \"ኣሜሪካ ብሓፈሻ ንዓለም ኣርኣያ እያ። ስለዝኾነ ህንዲ እውን ኣብ ተመሳሳሊ ደረጃ ምስ በጽሐት ተመሳሳሊ ሕጊ ክተውጸእ ትኸውን እያ ዝብል ፍርሂ ኣለኒ። ንሕና እውን ዘይንደልዮም ቘልዑ ኸነዕቢ ኽንግደድ ኢና\" \" ትብል ተጣባቒት መሰላት ዶ\/ር ቪና ጄኤስ በለት። \"መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ ድሕሪ ሕርሲ ዘጋጥም ሳይኮሲስኰነ ጭንቀት ኣብተን ኣንጻር ድሌተን ክወልዳ ዝግደዳ ደቂ ኣንስትዮ ይውስኽ እዩ።\" ዶ\/ር ቪና እቲ ሕጊ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕና ህጻናትን ኣደታትን ዝጸልው ከምዝኾነ ትገልጽ።","category":"ሰብኣዊ መሰላት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c88vgeyx1zjo"} {"headline":"ንጸሊም ኣሜሪካዊ ዝቐተሉ ኣቦን ወድን ምስ ጎረቤቶም “ብገበን ጽልኢ” ንሕልፈት ተፈሪዶም","content":"ንሓደ ኣብ መንገዲ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ዘካይድ ዝነበረ ጸሊም ኣሜሪካዊ ብምቕታል ተኸሲሶም ዝጸንሑ ሰለስተ ጸዓዱ ብገበን ጽልኢ ተፈሪዶም። ወዲ 36 ዓመት ትራቪስ ማክማይክል፡ ወዲ 66 ዓመት ኣቦኡ ግሪጎሪን ጎረቤቶም ዊልያም ብራያንን በቲ ዝፈጸምዎ ቅትለት፡ ዝሓለፈ ሰኑይ እቶም ኣቦን ወድን ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክፍረዱ እንከለዉ፡ ጎረቤቶም ብራያን ድማ ናይ 35 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ። ወዲ 25 ዓመት ኣሕመድ ኣርበሪ፡ ኣብ ለካቲት 2020 ኣብ ጆርጅያ ምስቶም ሰለስተ ሰባት ኣብ ዝተፈጠረ ግጭት’ዩ ብጥይት ተቐቲሉ። እቲ ጕዳይ ድማ ኣብ መላእ ኣሜሪካ ዝርከቡ ሰልፈኛታት ዓሌታዊ ፍትሒ ክተኣኻኸቡን ድምፆም ከስምዑን ደሪኹ እዩ። ሰለስቲኦም ውልቀሰባት ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ብገበናት ጽልኢ ገበነኛታት ከምዝዀኑ ተገሊፁ ነይሩ። ገበናቶም ድማ ኣርበሪ ብሰንኪ ዓሌቱ፡ ህዝባዊ ጎደና ከይጥቀም መሰል ምግታእን ፈተነ ጭውያን ይርከብዎም። ስድራቤት ማክማይክል ብኽሲ ኣጽዋር እውን ገበነኛታት ተባሂሎም’ዮም። ኣኽበርቲ ሕጊ፡ እቶም ተኸሰስቲ ንነዊሕ እዋን ብወግዒ ይዅን ብውልቈም ዘይእሩምን ዓሌታውን ቃላት ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ንዕቀት ከርእዩ ከም ዝጸንሑ ኣረዲኦም ኣለዉ። ኣቦ ኣርበሪ ዝዀነ ማርከስ ሓደ ካብ ገበነኛታት ትራቪስ ማክማይክል ኣብ ዝፍረደሉ ዝነበረ እዋን፡ \"እዞም ሰለስተ ኣጋንንቲ ንልበይ ሰባቢሮምዎ\" ክብል ተዛሪቡ። \"ንጸለምቲ ሰባት ትጸልእ ኢኻ'' ክብል እውን ተሰሚዑ። ትራቪስ ማክማይክል ኣብቲ መስርሕ ፍርዲ ኣይተዛረበን። ኣቦኡ ግን ብቐጥታ ምስ ስድራቤት እቲ ግዳይ ዝተዘራረበ ኰይኑ \"እቲ ዝተሰከምኩምዎ ሓዘን መግለጺ ከምዘይርከቦ ይርደኣኒ እዩ” ኢልዎም። ኣርበሪ ኣብ ለካቲት 2020 ኣብ ከባቢ ከተማ ብሩንስዊክ- ጆርጅያ ድሕሪ ቀትሪ ንስፖርታዊ ምንቅስቓስ ወጺኡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን’ዩ ተቐቲሉ። ግሪጎሪ ማክማይክል ዝተባህለ ነባሪ ናይቲ ከባቢ ንፖሊስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣርበሪ ኣብቲ ከባቢ ብተኸታታሊ ምስ ዝፍጸም ምስባር ገዛውቲን ስርቅን ዝጥርጠር ሰብ ምዃኑ ከምዝኣምን ገሊጹ። ፖሊስ ግን ነዚ ዝተባህለ ምስባር ገዛ ዝምልከት ዝዀነ ይዅን ጥርዓን ከምዘይቀረበ ኣፍሊጡ’ሎ። ስድራቤት ማክማይክል ሽጉጥን ክላሽንን ተዓጢቘም ንኣርበሪ ብመኪና ሰዓብዎ። ጎረቤቶም ብራያን ድማ ድሒሩ ናብኦም ተጸንበረ። ትራቪስ ማክማይክል [ወዱ ንግሪጎሪ ማክማይክል] ንቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ምስክርነት፡ ክልቲኦም ገና ኣብ ናይ ጽዕነት መኪናኦም ከለዉ ንኣርበሪ ክዛረብ ከም ዝፈተነን፡ ግን ኣርበሪ ንሰለስቲኦም ከም ዘየፈራርሖም፣ ኣጽዋር ከም ዘየውጽአ፣ ምስተኸራኸርዎ ኢዱ ናብ ጁባኡ ከም ዘየእተወ ወይ ከም ዘይጨደረን ኣረዲኡ። ሽዑ ትራቪስ ካብታ ናይ ጽዕነት መኪና ብምውራድ ምስ ኣርበሪ ንዝተፈጠረ ጐነጽ ስዒቡ ተኲሱ ወቕዖ። ኣብ ኣስከሬን ዝተገብረ መርመራ፡ ኣርበሪ ኣብ ኣፍልቡ ክልተ ናይ ጥይት ውቃዕ ከም ዝነበሮን ኣብ ጫፍ ሓንቲ ኢዱ ድማ መቃዕቲ ጥይት ከም ዝጸንሖን ኣረጋጊጹ’ሎ። ዳኛ ሊዛ ዉድ ትማሊ ሰኑይ፡ ካብ ጠበቓ ትራቪስ ማክማይክል ንዝቐረበላ ሕቶ ነጺጋቶ'ላ። እቲ ሕቶ ትራቪስ ግዜ ማእሰርቱ ኣብ ክንዲ ኣብ ናይ ግዝኣት ቤት ማእሰርቲ ኣብ ናይ ፌደራል ቤት ማእሰርቲ ዝሓልፈሉ ኵነታት ክፍጠር ዝጠልብ ነይሩ። ትራቪስ ኣብ ናይ ግዝኣት ቤት ማእሰርቲ ክጸንሕ እንተተገይሩ ዳርጋ “ኣብ ዕጹው ገዛ ብሞት ምቕጻዕ\"ን ብኻልኦት እሱራት መጥቃዕቲ ክፍጸሞ ናብ ዝገብር ሓደጋ ከም ዝቃላዕ ምግባር ምዃኑን ብምግላጽ ተማጒቱ። ኣብ ጥሪ፡ ትራቪስን ግሪጎሪ ማክማይክልን ብሰንኪ'ቲ ተኲሶም ዝፈጸምዎ ቅትለት ናይ ምሕረት ዕድል ብዘይብሉ ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ከምዝተፈረዶም ይዝከር። ኣብቲ እዋን፡ ክልቲኦም ብዝፈጸምዎ ቅትለት መንእሰይ ኣርበሪ ጣዕሳ ወይ ሓዘኔታ ከምዘየርኣዩ ዳኛ ገሊጹ ነይሩ። ብራያን እውን ዝለዓለ ናይ ዕድመ ልክዕ ፍርዲ ክፍረዶ እንከሎ፡ ድሕሪ 30 ዓመታት ግን ናይ ምሕረት ተኽእሎ ከምዘሎ ተነጊርዎ። እቶም ገበነኛታት ነቲ ፍርዶም ይግባይ ሓቲቶምሉ ኣለዉ።","category":"ሰብኣዊ መሰላት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/clmk50yngg8o"} {"headline":"ኣብ ማእከላት መዳጐኒ ዝርከቡ ተጋሩ ንክፍትሑ ጸቕጢ ክግበር ጻውዒት ቀሪቡ","content":"መራሕቲ ትግራይ፡ ‘ጥሮተኛታትን ኣብ ስራሕ ዝነበሩን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ’ ዝርከብዎም ብጅምላ ተሓፊሶም ተኣሲሮም ዝበልዎም ኣሽሓት ተጋሩ ክፍትሑ ማሕበረሰብ ዓለም ጸቕጢ ክገብር ጸዊዖም፡፡ እቲ ብመንገዲ ዝምድናታት ወጻኢ ትግራይ ብሰኑይ ዝወጽአ መግለጺ፡ ‘‘ካብ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ተጋሩ ብመንነቶም ጥራይ’’ ተገፊፎም ተኣሲሮም ይብል፡፡ ካብቶም እሱራት ‘‘ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ጥሮታ ዝወጹን ኣብ ስራሕ ዝነበሩን ተጋሩ ኣባላት መከላኸሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ’’ ከም ዝርከቡዎም ዝሓበረ እቲ መግለጺ፡ ካብዚኦም ብኣማኢት ዝቝጸሩ ‘‘ተረሺኖም’’ ካልኦት ድማ ‘‘ብዘጠራጥር ኵነታት ሞይቶም’’ ክብል ይኸስስ፡፡ ብዛዕባ እቲ መራሕቲ ትግራይ ዘቕረብዎ ክሲ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተወሃበ መግለጺ የለን፡፡ ድሕሪ እቲ 4 ሕዳር 2020 ኣብ መንጎ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ክልል ትግራይን ዝተወልዐ ኲናት፡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ፖሊስ ፌደራልን ዝነበሩ ተጋሩ፡ ዕጥቆም ፈቲሖም ኣብ ገዛኦም ክጸንሑ ከምዝተገበሩ ገለ ኣባላት፡ ኣብቲ ቕንያት ምጅማር ኲናት ንቢቢሲ ተዛሪቦም፡፡ ኣብቲ እዋን ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ብቢቢሲ ዝተሓተተ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ እቲ ውሳነ ‘‘ፖለቲካዊ’’ ከምዝኾነ ካብ ምግላጽ ወጻኢ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን ነይሩ፡፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ፈጺሞምዎ ዝበሎ መጥቃዕቲ ተሓባቢሮም ዝበሎም ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ተጋሩ፡ ብኽሕደት ሃገር ከሲሱ ምእሳሩን ኣብ ልዕሊ ገሊኦም ድማ ብይን ምሃቡን ዝዝከር እዩ፡፡ መራሕቲ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ መዳጎኒ ኣለዉ ዝብልዎም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሲቪላውያን ዝርከብዎም ተጋሩ ክፍትሑ ማሕበረሰብ ዓለም ጸቕጢ ክገብር እዩ ጸዊዖም ዘለው፡፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ከባቢታት ዓፋር ድሕሪ ምውጽኦም፡ ሓይልታት ጸጥታ ዓፋርን ኣመሓደርትን፡ ኣስታት 9 ሽሕ ኣብ መዋሰኒ ከባቢታት ዝነብሩ ዝነበሩ ተጋሩ ኣገዲዶም ናብ መዳጐኒ ቦታ ከም ዝወሰድዎምን ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኵነታት ከም ዝርከቡን ገሊጹ እዩ፡፡ ኣቐዲሙ፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣብቲ መዳጎኒ ዝርከቡ ተጋሩ፡ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ኵነታት ተኣሲሮም ንሕማምን ሞትን ከምዝተቓልዑ ገሊጾም ነይሮም፡፡ ሓይልታት ትግራይ ንከተማ መቐለ ዳግም ካብ ዝቈጻጸሩ ንደሓር፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት'ታ ሃገር ብኣሸሓት ዝቝጸሩ ተጋሩ፡ ኣብ ማእከላት መዳጐኒ ብጅምላ ኣሲሩ ምንባሩ ዝገልጹ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ምውጽኦም ዝዝከር እዩ። መንግስቲ ግን፡ ምስ ህወሓት ርክብ ኣለዎም ዝበሎም ኣብ ቀይዲ ከምዘውዓለ እዩ ዝገልጽ። ብዙሓት ድማ ከምዝተፈትሑ ይዝረብ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ 15 ሓምለ 2013 ዓ.ም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምስ ኲናት ትግራይ ብዝዛመድ፡ ኣብ ልዕሊ ስቪላት ተወለድቲ ትግራይ ዝፍጸሙ መጥቃዕትታት፡ ማእሰርቲ፡ ምዕፃው ኣብያተ ንግዲ፡ መቕተልትን ተመሳሰልቲ ተግባራት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ከምዘሻቕሎ ምግላጹ ዝዝክር እዩ። እቲ ካብ ዝጅመር ኣስታት 20 ኣዋርሕ ዘቝጸረን ሰላማዊ መዕለቢ ክረክብ ተስፋ ተገይሩሉ ዘሎን ጎንጺ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘስዓበ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብታ ኣብ ምሉእ ዕጽዋ ዘላ ትግራይ፡ ነበርቲ ብሰንኪ ሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት ንሞትን ዓጸቦን ተቓሊዖም ከምዘለዉ ጸብጻበት የመልክቱ፡፡ ክልቲኦም ወገናት፡ እቲ ኲናት ሰላማዊ መፍትሒ ክረክብ ንምድርዳር ድሉዋት ምዃኖም ዝገለጹ ኮይኖም፡ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ንደሓር \"ወርሓዊ ን5.9 ሚልዮን ህዝቢ ንምምጋብ እኹል መግቢ\" ናብ ትግራይ ከእቱ ከምዝኸኣለ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ። መራሕቲ ትግራይ ግን፡ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ፡ እቲ ሓገዝ ናብቶም ብህጹጽ ዝደልዩዎ ወገናት ክበጽሕ ከምዘይከኣለ ይገልጹ፡፡","category":"ሰብኣዊ መሰላት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2n0vpy580o"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ብህይወት ናይ ምንባር መሰል ኣብ ሓደጋ ወዲቑ'- ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት","content":"ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ብሓይልታት ፀጥታ መንግስትን ዕጡቓት ጉጅለታትን፡ ብርክት ዝበሉ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈፀሙ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓቢሩ። ኣብታ ሃገር ብህይወት ናይ ምንባር መሰል'ውን ኣዝዩ ንሓደጋ ተቓሊዑ ኣሎ ኢሉ። ትማሊ ዕላዊ ዝዀነ ዓመታዊ ፀብፃብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ንወተሃደራት መንግስቲ፣ ንዕጡቓት ሓይልታት ትግራይ ከምኡ’ውን ኣብ ክልተ ዓበይቲ ክልላት እታ ሃገር - ኦሮሚያን ኣምሓራን - ዘለዉ ዕጡቓት ጉጅለታትን ዘጠቓልል እዩ። እቲ ኮሚሽን፡ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ምቁራፅ መራኸቢታት ስዒቡ፡ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ሰባት ሓበሬታ ኣብ ዘይርከበሉ ኩነታት ከምዘለዉ ይሕብር። እዚ ጸብጻብ፡ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝተፈጸመ ሓድሽ ዙር መጥቃዕቲ ስዒቡ: ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ጸቕጢ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን’ዩ ወጺኡ ዘሎ። እቲ ኮሚሽን፡ ኣብ’ዚ ዓመታዊ ፀብፃቡ፡ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ብህይወት ናይ ምንባር መሰል ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ ከምዘሎ ይጠቅስ። ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ጉድለት ጥንቃቐን ኮነ ኢልካ ዝተወስዱ ስጉምቲታትን፡ ብኹሎም ተጻባእቲ ሓይልታት፡ ኣማኢት ሰባት ከምዝተቐትሉ እቲ ኮሚሽን ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ኣሎ። ብሓይልታት ምክልኻል፣ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ዕጡቓት ፋኖን፣ ምስ ሓይልታት ትግራይ ወይ ኦነግ ተሓባቢሮም ኣብ ልዕሊ ዝተብሃሉ ሰላማውያን ሰባት ካብ ፍርዲ ወፃኢ ቅትለት ከምዝፈፀሙ እውን ኣመልኪቱ። ዕጡቓት ኦነግ-ሸኔ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብወገኖም፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሲቪላት ቐቲሎም ኢሉ። እቲ ኮሚሽን ኣብ’ዚ ዓመታዊ ጸብጻቡ፡ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል-ጉሙዝ፡ ወረዳ ጉባ፡ ኢሲድ ቀበሌ፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ካልኦት ስሩዕ ወተሃደራዊ ክዳውንቲ ዝለበሱ ሰባትን፡ ካብ ፍርዲ ወጻኢ ሰለማውያን ሰባት ከምዝቐተሉን፡ ሓደ ሰብ ብህይወት እንዳሃለወ ምስ ካልኦት ሬሳታት ሓዊሶም ከምዘቃጸሉን ኣዘኻኺሩ። ቢቢሲ፡ ንኣባላት ስድራን መቕርብን እቶም ብመንነቶም ግዳያት ዝዀኑ ተወለድቲ ትግራይ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዝተቐተሉ ተወለድቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ዝኾኑ ኣዛሪቡ ሰፊሕቲ ጸብጻባት ምቕራቡ ዝዝከር እዩ። እቲ ኮሚሽን ፡ ብዘይካ’ቲ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ዕጡቓት ጉጅለታትን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ካብ ፍርዲ ወጻኢ ዝፍጸም ቅትለት፡ ሰብኣዊ ኣተሓሕዛኦምን ናጻ ናይ ምዃን መሰሎምን ከምዝተጣሕሰ የረድእ። ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ፡ ሰላማውያን ሰባት ብጭካነ ተሃሪሞም፡ ተዋሪዶምን ይሳቐዩን ነይሮም ድማ ይብል። ኣብ ልዕሊ ዝተማረኹ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ሓይልታት ኤርትራን ሓይልታት ትግራይን፡ ስቅያትን ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ከምዝተፈጸመ’ውን ኣመልኪቱ። እቲ ኮሚሽን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ፡ ብዙሓት ሰባት ካብ ሕጊ ወጻኢ ተኣሲሮምን ክስወሩ ከምዝተገደዱን ይገልጽ። \"ብፍላይ ምስ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት እታ ሃገር፡  ብሃበ ተረኽበ ማእሰርቲ፡ ካብ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ወጻኢ ኣብ ቀይዲ ምውዓል፣ ብግዴታ ምስዋር፡ ብኣባላት ስድራቤታት ከይሕተቱን ከይብጽሑን ምኽልካል፡ ከምኡ'ውን ብዘይ ፍርዲ ንነዊሕ እዋን ምእሳር ብሰፊሑ ተራእዩ'ዩ\" ይብል። ብመሰረት ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር፡ ሓደ ሰብ ኣብ ቀይዲ ካብ ዝወዓለሉ ጀሚሩ፡ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ናብ ቤት ፍርዲ ናይ ምቕራብ መሰል ኣለዎ። ትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ህወሓት ብወገኑ፡ ኣብታ ክልል ዘውፀኦ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን፡ ሰብኣዊ መሰላት ብኸቢድ ዝድርትን ሕገ መንግስትን ገበናዊ ድንጋገታት’ታ ሃገር ዝጥሕስን እዩ ኢሉ። ካብ መንጎ እቶም ጥሕሰታት፡  ደቆም ናብ ውትህድርና ኣይንሰድድን ዝበሉ ወለዲ ምእሳርን ምንክልባትን ይርከብዎም። ከምኡ’ውን እቲ ኣዋጅ፡ ምስ ፌደራል መንግስቲ ምስራሕን ምትሕብባርን ከም ገበን ገይሩ ይቖጽር። ኢሰማኮ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ፡ መራኸቢ ቴሌፎንን ኢንተርኔትን ከምዝተቛረፀን እዚ ድማ መሰል ምድላይ፣ ምቕባልን ምትሕልላፍን ሓበሬታ ብኸቢድ ከምዝገደቦ ገሊፁ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት 54 በጺሑ ኣሎ፡ ገሊኦም ድማ ክሳብ ሕዚ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ይርከቡ። ካብዚኦም እቶም 15 ሰራሕተኛታት ሚድያ፡ ብሰበስልጣን ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ እቲ ሓበሬታ የረድእ። \"ብሓፈሽኡ ኣብያተ ማእሰርቲ ፌደራልን ክልልን ድሩት ዓቕሚ እኳ እንተሃለዎም፡ ብዙሓት ኣወንታዊ ምዕባለታት ተራእዩ\" ይብል ዓመታዊ ጸብጻብ እቲ ኮሚሽን። ይኹን እምበር፡ ኣብ ብዙሓት ኣብያተ ማእሰርቲ፡ እሱራት ብኣካላዊ መግረፍቲ ከም ዝቕጽዑ፡ እኹል መግብን ሕክምናዊ ክንክንንከምዘይረኽቡን፡ ንጥርጡራት ኣብ እዋኑ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘየቕርቡን ኣመልኪቱ። እቲ ኮሚሽን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ዝርከቡ ዘይስሩዓት መዳጎኒ ማእከላት ብዙሓት ሰባት ተኣሲሮም ምንባሮም ሓቢሩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣምሓራ፣ ዓፋር፣ ኦሮሚያ፣ ከምኡ እውን ኣብ ክልል ደቡብ፡ ብዙሓት ሰባትንዕጡቓት ሓይልታት [ብፍላይ ንህወሓት] ይድግፉ ወይ ድማ ኣባል እዮም ብዝብል ኣብ ዘይስሩዓት መዳጎኒ ማእከላት ተኣሲሮም ምንባሮም ሓቢሮም። ብፍላይ ኣብ ርእሰ ከተማ ዓፋር፡ ሰመራ፡ ኣስታት 9 ሽሕ ተወለድቲ ትግራይ ‘ንድሕነቶም’ ብዝብል መመኽነይታ፡ ንልዕሊ ሸውዓተ ኣዋርሕ ንህይወት ኣስጋኢ ኣብ ዝዀነ ኩነታት ከምዝርከቡ እቲ ኮሚሽን ደጊሙ ኣዘኻኺሩ። እቲ ኮሚሽን፡ ኣብ ‘ዚ ቀረባ እዋን፡ ነቶም ‘ብሰንኪ መንነቶም ይሳቐዩ ኣለዉ’ ዝበሎም ነበርቲ ስድራቤታት፡ ብህጹጽ ክፍትሑ ምሕታቱ ዝዝከር እዩ። ቢቢሲ’ውን ንግዳያት ኣዛሪቡ ሰፊሕ ጸብጻብ ዘቕረበ ዀይኑ፡  ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር፡ ብዛዕባ እዚ ክሲ ዛጊድ ዝሃቦ ምላሽ የለን። ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ሰባት ብሰንኪ ጎንፅን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ካብ መነባብርኦም ከም ዝተመዛበሉ ኢሰመኮ ገሊጹ። እቲ ፀገም ዝተጋደደ ድማ፡ ንጉዳይን ጸገማትን ተመዛበልቲ ዝርኢ  ሕጋዊ መንግስታዊ ኣካል ብዘይምህላዉ እዩ ይብል። ንዝሓለፉ ኣስታት 20 ኣዋርሕ ዝቐጸለን ዛጊድ ሰለማዊ ፍታሕ ዘይተረኽቦን፡ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ዝለዓለ ግህሰታት ከምዘስዓበ እቲ ኮሚሽን ኣመልኪቱ። ኣብታ በቲ ኲናት ኣዝያ ዝተሃሰየት ክልል ትግራይ ዝርከብ ህዝቢ፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት፡ ባንኪ፣ ስልክን መብራህትን ሓሪምዋ ዝርከብ ኰይኑ፡ ብሰንኩ ድማ፡ ኣሸሓት ንጥሜት፣ ስደትን ሞትን ተቓሊዖም ከምዝለዉ እሙናት ጸብጻባት የመልክቱ። ብሓፈሻ ጸብጻብ እቲ ኮሚሽን፡ እታ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም 'ደሴት ምርግጋእ' ኰይና ትረአ ዝነበረት ኢትዮጵያ፡ ሕዚ ዳርጋ ኣብ ቀጻሊ ‘ቅልውላው ድሕነት’ ትጥሕል ከምዘላ እቲ ጸብጻብ ይድምድም።","category":"ሰብኣዊ መሰላት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cl5n0nzg9v8o"} {"headline":"ኣብ ምዕራብ ወለጋ ብውሕዱ 200 ሰባት ብዕጡቓት ተቐቲሎም","content":"ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ኣብ ዝርከባ ቁሸታት፡ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ከም ዝተቐተሉ፡ ካብቲ መጥቃዕቲ ብሰላም ዝወጽኡ ሰባት ንቢቢሲ ሓቢሮም። ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ምዕራብ ወለጋ ዞባ ጊምቢ ወረዳ ቆሌ፡ ተወለድቲ ብሄር ኣምሓራ ኣብ ዝነብርወን ቁሸታት፡ እቶም ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ኣማኢት ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣሽሓት ካብቲ ቦታ ከምዝተፈናቐሉ እቶም ነበርቲ ገሊጾም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ብዘይሕጋውያንን ዘይስሩዓት ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝወርድ ዘሎ መጥቃዕቲ ኣይክንዕገሶን ኢና ኢሉ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዋላ'ኳ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝርዝራዊ ሓበሬታ እንተዘይሃበ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ቤንሻንጉልን ኦሮምያን ዝተፈጸመ መጥቃዕትታት ቀንዲ ዕላማኡ ንነበርቲ ንምሽባር’ዩ ኢሉ። ኣሶሺየስት ፕረስ ንናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ መብዛሕትኦም ተወለድቲ ብሄረ ኣምሓራ ዝርከብዎም ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝተቐተሉ ገሊጹ። ነበርቲ 'ቲ ከባብን መንግሰትን፡ እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ፡ እቶም ብመንግስቲ ጕጅለ ግብረሽበራ ተባሂሎም ዝተሰምዩ፡  ሸኔ ተባሂሎም ዝፍለጡ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ’ዮም ክብሉ እንከለዉ፡ ሸኔ ብወገኑ እቲ መጥቃዕቲ ብሓይልታት መንግስቲ ከምዝተፈጸመ’ዩ ዝኸስስ። ኣብ ኣሜሪካ፡ ዳይረክተር ተጣባቒ ማሕበር ብሄረ ኣምሓራ ዝዀነ ኣቶ ሆነ ማንደፍሮ፡ እቲ መጥቃዕቲ ንተወለድቲ ብሄረ ኣምሓራ ዕላማ ዝገበረን፣ በቲ መጥቃዕቲ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ኣማኢት ሰባት ከም ዝተቐተሉን ንቢቢሲ ሓቢሩ። ኣቶ ሆነ፡ እቲ መጥቃዕቲ በቶም ንነብሶም ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኢሎም ዝገልጹን፡ መንግስቲ ሸኔ ኢሉ ዝገልጾምን ከምዝተፈጸመ ብምግላጽ፡ ካብቶም ነበርቲ ረኺብናዮ ብዝበሎ ሓበሬታ “እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ተወለድቲ ኣምሓራ ዝነብሩለን ሓሙሽተ ቁሸታት ዒላማ ብምግባር ነቲ ቅትለት ፈጺምዎ፡” ኢሉ። ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ፡ ሰራዊት ፌዴራል ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሩ ምህላዉ እቶም ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም። እቶም ነበርቲ፡ ኣስክሬን ናይቶም ዝተቐተሉ ሰባት ይእከብ ከምዘሎን፡ ዝበዝሕ ድማ ትማሊ ሰንበት ኣብ ሓደ ጋህሲ ከም ዝተቐበረን ገሊጾም። ክልል ኦሮምያን ኢሰመኮን ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ምዕራብ ወለጋ ዞባ ጊምቢ ወረዳ ቆሌ፡ እቶም መንግስቲ ሸኔ ኢሉ ዝጽውዖም ዕጡቓት፡ ብዙሓት ሰለማውያን ሰባት ከምዝቐተሉ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ክልል ኦሮምያን በብወገኖም ገሊጾም። ኣብ ዝተፈላላየ ከባቢታት ምዕራብ ኦሮምያ ከምዝንቀሳቐሱ ዝንግረሎም ዕጡቓት፡ ቀዳም 18 ሰነ 2022 [11 ሰነ 2014 ግእዝ] ኣብ ልዕሊ ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ሰለማውያን ሰባት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ህይወት ሰለማውያን ሰባት ሓሊፉ፡ ኣብ ልዕሊ ንብረት ጉድኣት ከም ዝበጽሐን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ገሊጹ። መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ብወገኑ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ምዕራብ ወለጋ ዞባ ጊምቢ ወረዳ ቆሌ፡ በቶም መንግስቲ ግብረሽበራውያን ኢሉ ዝገለጾም ዕጡቃት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ኣረጋጊጹ። በቲ መጥቃዕቲ ህይወት ሰለማውያን ሰባት ከም ዝሓለፈን ንብረትን ከም ዝዓነወን እቲ ክልል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣመልኪቱ። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን መንግስቲ ክልል ኦሮምያን፡ ነቲ መጥቃዕቲ ኣመልኪቶም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ በቲ መጥቃዕቲ ዕላማ ብዛዕባ ዝዀኑ ሰባት ዝሃብዎ ሓበሬታ የለን። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን መንግስቲ ክልል ኦሮምያን ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ምዕራብ ወለጋ ዞባ ጊምቢ ወረዳ ቆሌ፡ ዝርዝር ከይሃቡ ተፈጺሙ ዝበልዎ መጥቃዕቲ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ተሓተትቲ ምዃኖም ሓቢሮም ኣለዉ። ቤት ጽሕፈት ኮምኒኬሽን ክልል ኦሮምያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ቅትለት “ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝተፈጸመ ጭካነ ዝመልኦ ተግባር” ብምባል ገሊጽዎ። መንግስቲ ክልል ኦሮምያ፡ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ብሓይልታት እቲ ክልልን ፌዴራልን ብዝውሰደሉ ዘሎ ስጕምቲ፡ “ነቲ መጥቃዕቲ ክጻወሮ ስለዘይክኣለ፡ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ጭካነ ዝመልኦ መጥቃዕቲ ፈጺሙ” ኢሉ።","category":"ሰብኣዊ መሰላት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cg39n2w8nyno"} {"headline":"ኣብ ጋምቤላ ተገይሩ ንዝተባህለ ፍጻመ ዘርኢ ዘሰንብድ ቪድዮ","content":"ኣብዚ ሰሙን ኣብ ከተማ ጋምቤላ ብዕጡቓት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ቪድዮ ንብዙሓት ኣዘራራቢ ኰይኑ ኣሎ። ኣብቲ ቪድዮ፡ ሓደ ኢዱ ኩርንኩሪት ዝተኣሰረ ውልቀሰብ፡ ወተሃደራዊ ክዳን ብዝተኸደኑ ዕጡቓት ብተደጋጋሚ ብጥይት ተወቒዑ ክወድቕ ይርአ። ቢቢሲ እቲ ቪድዮ ኣበይን መዓስን ከምኡ'ውን ሓቅነቱን ከረጋግጽ'ኳ እንተዘይከኣለ፡ ብዙሓት ሰባት ግን ኣብ ጋምቤላ ዘጋጠመ ክኸውን ከምዝኽእል ይገልጹ። ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ጋምቤላ፡ መንግስቲ ሸኔ ኢሉ ዝጽውዖ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ዕጡቓት ግንባር ናጽነት ጋምቤላን ብሓባር ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፡ ብውሑድ 40 ሰባት ከምዝተቐተሉን ብዙሓት ከምዝቘሰሉን ተገሊጹ ነይሩ። ድሕሪ'ቲ በቶም ዓመጽቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ምስኡ ብዝተኣሳሰር ሰላማውያን ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ይፍጽሙ ከምዘለዉ፡ ገለ ሰባት ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝሰጋገር ዘሎ ቪድዮ ብምጥቃስ ይኸሱ። ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዘይተዓጠቑ ሰባት ፈጺሞምዎም ዝበሃሉ መጥቃዕቲታን ቅትለታትን ዘርእዩ ምስሊታት፡ ብተደጋጋሚ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝረኣዩ ኮይኖም፡ እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሕጋዊ መስርሕ ተሓታትነት ኣብ ምልክት ሕቶ ክኣቱ ገይርዎ። ወሃቢ ቃል ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ እቶም ሓይልታት ጸጥታ “ንዝኾነ ኦሮሞ እዩ ኢሎም ዝጠርጠርዎ ሰብ ይቐትሉ ኣለዉ” ክብል ከሲሱ። ነዚ ክሲ ኣመልኪቱ ቢቢሲ ሕቶ ዘቕረበሉ ወሃቢ ቃል ክልል ጋምባላ ኣቶ ኡጋቶ ኦዲንግ፡ ግና እቲ ክሲ “ፕሮፖጋንዳ እዩ” ብምባል ነጺግዎ። ብ7 ሰነ 2014 [ግእዝ]፡ እቶም ዕጡቓት ኣብ ከተማ ጋምቤላ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምኽፋቶም፡ እታ ከተማ ካብ ንቡር ምንቅስቓሳ ወጻኢ ኰይና ቀንያ። እቶም ዕጡቓት ንውሱን ሰዓታት ንብዙሕ ከባቢታት እታ ከተማ ተቘጻጺሮም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ብዝወሰድዎ ስጕምቲ ነታ ከተማ መሊሶም ከም ዝተቘጻጸርዋ ተገሊጹ እዩ። ድሕሪ እቲ ናይ ሰሉስ መጥቃዕቲ፡ ብረቡዕ'ውን ኣብ ከተማ ጋምቤላ ምንቅስቓስ ኣይነበረን፣ ብሓሙስ ግን ነበርቲ ናብ ንቡር መዓልታዊ ምንቅስቓሶም ክምለሱ ከምዝጀመሩ ወሃቢ ቃል እቲ ክልል ትማሊ ንቢበሲ ተዛሪቡ። ብተወሳኺ ሓይልታት ጸጥታ ኣብቲ ህዝቢ ተሓቢኦም ኣለዉ ንዝበልዎም ዕጡቓት ሃዲኖም ይሕዙ ከምዘለዉ ሓቢሩ። ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣቶ ኡሞድ ኡጁሉ፡ ሰሉስ ምሸት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓይልታት ጸጥታ ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት ከቢድ ኪሳራ ከምዝወረደን ኣብ ኣባላት ጸጥታ እቲ ክልል'ውን ዝተወሰነ ጉድኣት ከምዝበጸሐን ገሊጹ ነይሩ። ነበርቲ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሑ ምስሊታት ከምዘርእይዎን፡ ናይቶም ዕጡቓት ከምዝዀኑ ዝተገለጹ ብዙሓት ሬሳታት ኣብ ጐደናታት እታ ከተማ ተራእዮም እዮም። ወሃቢ ቃል ናይቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግብረ ሽበራዊ ኢሉ ዝበየኖ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዝኾነ ኦዳ ተርቢ ግን፡ ሰራዊቶም ምስ ዕጡቓት ግንባር ናጽነት ጋምቤላ ብምዃን ዝተወሃሃደን ዕዉትን መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ተዛሪቡ። ምስ ሱዳን ዝዋሰን ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ክልል ጋምቤላ፡ ዕጡቓት ምስ ዝንቀሳቐሱሎም ከባቢታት ምዕራብ ኦሮምያን ቤንሻንጉልን እውን ይዋሰን እዩ።","category":"ሰብኣዊ መሰላት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c6p3796jg14o"} {"headline":"ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ብዝተወስደ ወፍሪ 'ምኽባር ሕጊ' ልዕሊ 12 ሽሕ ሰባት ተኣሲሮም","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብዝተኻየደ ‘ወፍሪ ምኽባር ሕጊ’ ልዕሊ 12 ሽሕ ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ። መራኸቢ ብዙሃን እቲ ክልል ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ፖሊስ ኣብ ሓደ ወርሒ፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባራት ተዋፊሮም ኢሉ ዝጠርጠሮም 12,400 ሰባት ኣሲሩ። እዞም ጥርጡራት፡ “ብሽም ፋኖ ዝነግዱን ኣብ ዝተፈላለዩ ዘይስሩዕ ጕጅለታት ተወዲቦም ብገበናት ቅትለት፡ ዝምታን ጾታዊ ዓመጽን ከምኡ’ውን ተልእኾ ጕጅለታት ሽበራ ተቐቢሎም ነቲ ክልል ብምንዕዓብ” ዝተጠርጠሩ’ዮም ክብል ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ገሊጹ። ካብ መንጐ እዚኦም \"እቶም 3746 ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል፡ ፍሉይ ሓይልን ፖሊስን እቲ ክልል ኰይኖም፡ ልዕሊ 8700 ድማ ብዝተፈላለዩ ገበናት ዝተጠርጠሩ ውልቀ ሰባት’ዮም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኣብቲ ክልል መንግስቲ ብዝወሰዶ ስጕምቲ ካብ ዝተቐየዱ 3500 ሰባት፡ ዝኸድዑ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል፡ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ድማ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ እዮም ኢሉ ነይሩ። ኣቐዲሙ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ኣብ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ሕጊ ምኽባር ጋዜጠኛታትን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚዲያን ሓዊሱ፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ከም ዝተኣሰሩ ብምግላጽ፡ እቲ ተግባር ካብ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ወጻኢ ዝተፈጸመ’ዩ ብምባል ኮኒኑ ነይሩ። ተሓለቕቲ መሰላት ጋዜጠኛታት’ውን፡ እቶም ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ክፍትሑን ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ሰብ ሞያ ሚዲያን ዝወረደ ትንኰያ ደው ክብልን ሓቲቶም፤ ተቓወምቲ ሰልፍታት’ውን እቲ ማእሰርቲ ብሕጋዊ መስርሕ ክካየድ ኣተሓሳሲቦም’ዮም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ቑጽሪ ብሓይልታት ጸጥታ ኣብ ቀይዲ ዝውዓሉ ጋዜጠኛታት ልዕሊ 16 በጺሑ ነይሩ፤ ካብዚኦም ዝተወሰኑ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዋሕስ ተፈቲሖም ኣለው። እንተዀነ ሕጂ’ውን ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣለው። ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ማሕበር ኣምሓራ፡ እቲ ወፍሪ “ምምሕዳር ኣብዪ ዝቃወም ሓይሊ ናይ ምጥፋእ ምንቅስቓስ’ዩ” ክብል ተቓዊሙዎ’ዩ። ማዕከን ዜና እቲ ክልል ኣሚኮ ንኮሚሽን ፖሊስ ኣምሓራ ጠቒሱ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ካብቶም ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ዘእተዎም ልዕሊ 7350 ብዋሕስን ምጽራይን ከም ዝተፈትሑ ሓቢሩ። ብተወሳኺ፡ “ናብ ህወሓት ዝሓልፍ ዝነበረ ልዕሊ 37 ሚሊዮን ብር ኣብ ኬላ ብዝተገብረ ተፍትሽ” ከም ዝተትሓዘ ብምግላጽ በቲ ዝተወስደ ስጕምቲ ዘይሕጋዊ ተዅሲ ሓዊሱ ካልኦት ገበናት ከም ዝነከዩ የመልክት። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ መንግስቲ እቲ ክልል ዝወሰዶ ስጕምቲ ብምቅዋም ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እቲ ክልል ተላዒሎም ኣብ ዝነበሩ ተቓውሞታት ምስ ሓይልታት ጸጥታ ብዝተፈጥረ ግጭት ህይወት ሰባት ከም ዝጠፍአ ይዝከር።","category":"ሰብኣዊ መሰላት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cnl8g2vg4r0o"} {"headline":"ኢሰመኮ ብሰንኪ መንነቶም ኣብ ክልል ዓፋር ተኣሲሮም ዝርከቡ ተጋሩ ክፍትሑ ጸዊዑ","content":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ሰመራን ኣጋቲናን ኣብ መዓስከራት ተታሒዞም ዝርከቡ ተጋሩ ብቕልጡፍን ብዘይቅድመ ኵነትን ክፍትሑ ጸዊዑ። እቲ ኮሚሽን ትማሊ 22 ሰነ 2014 ዓ.ም [ግእዝ] ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ማእሰርቲ “ዓሌት መሰረት ዝገበረ፡ ዘይሕጋውን ጃምላውን ስለ ዝዀነ ብቕልጡፍ ክፍትሑ ይግባእ” ኢሉ። “ናብ መንበሪ ከባቢኦም ክሳብ ዝምለሱ ኣብቲ መጽንሒ ቦታ ክጸንሑ ዝደልዩ እንተሃልዮም እውን፡ ብድልየቶምን ብዘይ ዝኾነ ናይ ምንቅስቓስ ገደብን ክኸውን ኣለዎ” ክብል ሓቲቱ። ደቂ ኣንስትዮ፡ ህጻናትን ሽማግለታትን ዝርከብዎም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተወለድቲ ትግራይ ብዘይ ዝዀነ ገበን ተዳጒኖም ንኸቢድ ስቓይን ሞትን ከም ዝተቓልዑ ኣብ ቀረባ እዋን ንቢቢሲ ምግላጾም ዝዝከር እዩ። እቶም ወገናት ብ9 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም [ግእዝ]፡ ኣብ ጥቓ ከተማ ኣብዓላ [ሸኸት] ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይን ዓፋርን ውግእ ድሕሪ ምክያዱ፡ ሓይልታት ዓፋር ‘ናብ ውሑስ ቦታ ከነግዕዘኩም ኢና’ ብምባል ዓይነ ስውራን ከይተረፈ ዝርከብዎም ልዕሊ 15 ሽሕ ሰባት ፈለማ ናብ ቤት ማእሰርትን መደበር ፖሊስን፡ ካብኡ ድማ ብመኪና ተጻዒኖም ናብ ሰመራ ከም ዝወሰድዎም ተዛሪቦም። ምስ ህወሓት ርክብ ነይርኩም ዝተባህሉ ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ ከም ዝቐተሉ እውን ገሊጾም። ብፍላይ ሓይልታት ትግራይ ንከተማ ሸኸት (ኣብዓላ) ገዲፎም ምስ ወጽኡ፡ ልዕሊ 300 ሰባት ብዕጡቓት ዓፋር ከም ዝተቐተሉ ካብቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተጋሩ ይገልጹ። መንግስቲ ፌዴራል ይኹን ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣብዓላ ኣጋጢሙ ዝተባህለ ክስታት ‘ጃምላዊ ቅትለት’ ኣመልኪቱ ዝሃቦ መብርሂ የለን። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ምስቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ኲናት ብዝተሓሓዝ ካብ መዳውብቲ ከባቢታት ትግራይን ዓፋርን “ንድሕነትን ብገበን ዝድለዩ ንምፍላይን ብዝብል” ኣብ ሰመራን ኣጋቲናን ዝበሃሉ መዓስከራት ኣስታት 9 ሽሕ ዝግመቱ ተወለድቲ ትግራይ ተታሖዞም ምህላዎም ኣረጋጊጸ ኣለኹ ኢሉ። እቶም ብስም መዕቆቢ ተታሒዞም ዝርከቡ ተጋሩ፡ ሰብ መዚ ጸጥታ ዓፋርን ሲቪላት ኣመራርሓ ዞባን ወረዳን ተዋዲዶም ንተወለድቲ ትግራይ ብምፍላይ ካብ ወርሒ ታሕሳስ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ንመዓልቲታት ብመኪና ዘጓዓዓዝዎም ከም ዝዀኑ ገሊጹ። “እቲ ኮሚሽን ዘዘራረቦም ኣብቶም መጽንሒ ቦታታት ዝርከቡ ሰባት፡ ካብ ዝነብርሉ ከባቢ ክወጽኡን ኣብቲ ከባቢ ክሳብ ሕጂ ክጸንሑ ዝተገበሩን ካብ ፍቓዶም ወጻኢ ምዃኑ ገሊጾም፡” ኢሉ። እቲ ኮሚሽን ኣብቶም መጽንሒ ቦታታት ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ፡ 8560 ሰባት ከም ዝረኸበ ዝገለጸ ኰይኑ፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ተፈላልዮም ክተሓዙ ስለ ዝተገብሩ “ኣባላት ቤተሰብ ተፈላልዮም ክነብሩ ተገዲዶም’ ክብል ሓቢሩ። ኣብቶም ማእከላት ሕጽረት ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን ሕክምናን ከም ዘሎን ተላባዒ ብዝመስል ሕማም ሰባት ከም ዝሞቱን ዝሕብር መግለጺ ኢሰመኮ፡ “ሓንቲ ቤተሰባ ስነ-ልቦናዊ ጸገም ኣጋጢምዋ ኢሎም ዝኣሰርዋ ንእስቲ፣ ሓሙሽተ ዝኾኑ ከቢድ መቝሰልቲ ዘለዎም ሰባት፣ ጸገም ምዕባለ ኣእምሮ ዘለዎም 5 ህጻናት፣ ከምኡ ድማ ብሕማም ቈርበት ዝተጠቕዑ ካብ 4 - 5 ዕድመ ዝርከቡ ህጻናት ኣብቶም መዓስከራት ይርከቡ” ኢሉ። ቢቢሲ ዘዘራረቦ ካብቲ መዳጐኒ ከም ገለ ኢሎም ካብ ዝወጽኡ ውሑዳት ሓደ ዝዀነ ውልቀሰብ ብፍላይ፡ ከም ብዝሒ ደምን ሽኮርያን ዝኣመሰለ ሕዱር ሕማም ዝነበሮም ኣዝዮም ከም ዝተሳቐዩ፡ ዝሓመመ፡ ንኽወጽእ ይዅን ክሕከም ከልኪሎም፡ ልክዕ ከም ምሩኻት ከም ዝሓዝዎም ገሊጹ ነይሩ። ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶክተር ዳኒኤል በቀለ፡ ማእሰርቲ እቶም ተጋሩ “ብሰም መዕቆቢ ዝተፈጸመ፡ ዓሌት መሰረት ዝገበረ፡ ዘይሕጋውን ጃምላውን ማእሰርቲ ብምዃኑ ቀልጢፎም ክፍትሑ ይግባእ፡\" ክብል ጽዊዑ ኣሎ።","category":"ሰብኣዊ መሰላት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c6pz3nr8kz0o"} {"headline":"ክልል ኣምሓራ ንጸብጻብ ኣምነስትን ሂዩማን ራይትስ ዎችን ነጺግዎ","content":"መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ኣምነስት ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን ብሓባር ዘውጽእዎ ጸብጻብ ነጺግዎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ክልቲኦም ማሕበራት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ቅትለትን ምስዋርን ዝርከቦ ገበናት ከምዝተፈጸመ ምግላጾም ይዝከር። ኣብቲ ጸብጻብ፡ ሓይልታት ኣምሓራን ሰብስልጣን ኣምሓራን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ምስ ገበን ኵናት ዝመዓራረ ሰፊሕ ገበናት ከምዝተፈጸሙ ምግላጾም ይዝከር። ኣምነስት ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዓቃቢ ሰላም ክኣቱን ሓይልታት ፋኖ ካብ ምዕራብ ትግራይ ክወጽኡ'ውን ጸዊዖም። መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል፡ ኣባላት ፖሊስ፡ ሚሊሻታትን ፋኖን ገበናት ፈጺሞም ንዝብል ክሲ ነጺግዎ ኣሎ። መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ነቲ ጸብጻብ \"ኣውያት ህዝብና ንምጭዋይ፡ ህላወ ሃገርናን ህዝብናን ንምኽባር ግቡእና ኣብ ዝገበርናሉ፡ ኣብ ሞንጎ ኣካላት ጸጥታን ፋኖን ዘሎ ሓያል ምትእስሳር ኣብ መጸኢ ተመሳሳሊ ጸገማት ኣጋጢሙ ሓደ ኮይኖም ከምዘይከላኸሉ ንምግባር ዝዓለመ እዩ\" ብምባል ኮኒንዎ። ብምስዓብ ነቲ ጸብጻብ \"ሚዛናውነት፡ ተኣማምነት ዝጎደሎ'ዩ\" ኢልዎ። ክልል ኣምሓራ፡ እቲ ናይ ኣምነስን ሂዩማን ራይትስ ዎችን ብሓባር ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብሓባር ዝገብርዎ ዘለዉ መርመራ ዋጋ ዝኸልእ'ዩ ኢልዎ። እቲ ጸብጻብ \"ናይ ሓደ ወገን ሻራነት ዝሓዘ\" ከምዝኾነ'ውን ከሲሱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ እቲ ጸብጻብ \"ንፖሎቲካዊ መዓላ\" ከገልግል ከምዝኽእል ምግላጹ ዝዝከር'ዩ። ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ብወገኑ ንጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎችን ኣምነስት ኢንተርናሽናልን ኣመልኪቱ ብዓርቢ መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ። እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ነቲ ጸብጻብ [ሂዩማን ራይትስ ዎችን ኣምነስት ኢንተርናሽናልን] ብምሉእ ከምዝድግፎ ብምግላጽ፡ ተመሳሳሊ ገበናት ሕጂ'ውን ይፍጸም ከምዘሎ ጠቂሱ። መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ መግለጹኡ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዝግበር ግህሰት ሰብኣዊ መሰል፡ ምጽጻይ ዓሌት ኮነ ገበን ኵናት ከምዘወግዝን ነዚ ዝፈጸሙ ናብ ሕጊ ንምቅራብ ዝግበር መርመራ ከምዝድግፍን ጠቂሱ። ሂዩማን ራይትስዎችን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ዘካየድዎ መጽናዕቲ፡ ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ንተጋሩ ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕትታት ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ፈጺሞም ክብሉ ከሲሶም። ንድሕነት ሰላማውያን ሰባት ዝከላኸል ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ክዋፈር ድማ እቶም ዓለምለኻዊ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሓቲቶም። ኣብቲ ብረቡዕ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር ጸብጻብ፡ ካብ ምጅማር እቲ ኲናት ኣብ ጎኒ ሓይልታት መንግስቲ ፌደራል ዝተሰለፉ ሓይልታት ኣምሓራ፡ ኣብ ልዕሊ ኣማኢት ኣሽሓት ተጋሩ ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ፡ ምፍርራሕ፣ ምስርጣይ፣ ብኣስገዳድ ካብቲ ከባቢ ክፈናቐሉ ብምግባር ከቢድ ግህሰት ሰበኣዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ ገሊጾም። ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ስዒቡ፡ ንዝሓለፉ ልዕሊ 16 ኣዋርሕ ክልል ኣምሓራ ነቲ ናይ ይግብኣኒ ሕቶ ዘቕርበሉ ግዝኣት ምዕራብ ትግራይ ተቖጻጺሩዎ ምህላው ይፍለጥ። ነቲ ኣብቲ ዞባ ይፍጸም ኣሎ ዝበልዎ ምግሃስ መሰላት ደው ንኽብልን ሰብኣዊ ረዲኤት ናብቲ ቦታ ንኽኣቱን ኣኽባሪ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ክኣቱ ኣገዳሲ ምዃኑ እቶም ትካላት ኣስሚሮምሉ ኣለዉ። ኣብ መንጎ እቶም ተዋጋእቲ ወገናት ዝግበር ምቁራጽ ተጻብኦታት፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብህጹጽ ኣኽባር ሰላም ሓይሊ ጸጥታ ክኣቱ ዘጠቓለለ ክኸውን ኣለዎ ክብሉ'ውን ጻውዒት ኣቕሪቦም። እቲ \"'ካብዚ ምድሪ ከነጥፍኣኩም ኢና'፡ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝፍጸም ገበንን ምጽጻይ ዓሌትን ኣብ ምዕራብ ትግራይ\" ብዝብል ርእሲ ዝተዳለወ ጸብጻብ፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዘለው ሓይልታትን ሚሊሻን ኣምሓራ \"ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት\" ከም ዝፈጸሙ የርኢ። እንተኾነ፡ ኣህጉራውን ዓለምለኻውን መሓዙት ኢትዮጵያ ክብደት ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝፍጸሙ ዘለው ገበናት ከርእያ ኣይክኣላን ክብል እቲ ጸብጻብ ነቒፉ። \"ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ድማ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ምጽጻይ ዓሌት ጠጠው ከብሉን ካብቲ ከባቢ ዝተመዛበሉ ተወለድቲ ትግራይ ብፍቓዶምን ድሕነቶም ብዝተሓለወን መልክዑ ናብ ቦትኦም ክምልሱ ኣለዎም\" ክብል ኣተሓሳሲቡ።","category":"ሰብኣዊ መሰላት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61064196"} {"headline":"ኣብ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ዝፍጸም ቅትለት ኣዝዩ ኣዘራራቢ ኮይኑ","content":"ብ2021 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ቑጽሪ ኣብ ኣመሪካ ዝተቐትሉ ፖሊስ 60 ሚኢታዊት ከም ዝበጽሐን ኣብ መላእ እታ ሃገር ገበናት ጭካነ ከም ዝወሰኹን ቢሮ መርመራ ፌደራል [ኤፍቢኣይ] ኣፍሊጡ። ዳይሬክተር ክሪስቶፈር ሬይ ምስ 60 ሚኒትስ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ 73 ኣባላት ፖሊስ ኣብ ስራሕ እንከለው ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ። ካብ 2019 ጀሚሩ ድማ ኣብ ኣመሪካ ዝተፈላለዩ ዓይነት ጭካነ ዝተመልኦም ቕትለታት ፖሊስ ብዝለዓለ መጠን ከም ዝወሰኹ መረዳእታታት የመልክቱ። እቲ ዳይሬክተር እዚ ዝንባለታት ከም ዘይቕበሎን እቲ ኩነታት እኹል ትኹረት ከም ዘይረኸበን ብምግላጽ፡ ብውሑድ ኣብ መዓልቲ 5 ሰብ ይቕተል ምህላው ዘመልክት ከም ዝኾነ ገሊጹ። ብኻልእ ወገን ኣብታ ሃገር ዓመታዊ ሓደ ሽሕ ሰባት ብኢድ ፖሊስ ህይቶም ክሓልፍ እንከሎ መብዛሕትኦም ቕትለታት ክሲ ከይተመስረቶም ይሓልፉ። ክreስቶፈር ከም ዝብሎ፡ በዚ ምኽንያት ሰባት ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ዘብጽሑዎ ጭካነ ዝተመልኦ ቕትለት ክውስኽ ተራእዩ እዩ። \"መብዛሕትኦም ኣባላት ፖሊስ ንዝኾነ ስራሕ ክንቀሳቐሱ እንከለው ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ እናበጽሖም ወይ ተፍትሽ ኣብ ዝገብርሉ ግዜ'ዮም ዝቕተሉ ዘለው። ናይ ፖሊስ ክዳን ብምግባሮም ጥራይ ግዳያት ክኾኑ የብሎምን\" ኢሉ። ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ 'ፍራተርናል ኦርደር ኦፍ ፖሊስ' ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ብ2021: 103 ሃንደበታዊ መጥቃዕታት ክፍጸሙ እንከለው፡ ነዚ ስዒቡ 130 ፖሊስ ግዳያት ተኹሲ ኮይኖም ይብል። ብተወሳኺ 30 ፖሊስ ምስዚ ብዝተሓሓዝ ሞይቶም። ብ2020 ኤፍቢኣይ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ቑጽሪ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ዝፍጸም ቅትለት ካብቲ ብ2019 ዝነበሮ ብ20 ሚኢታዊት ሓፍ ዝበለ ኮይኑ ድሕሪ 1960ታት ዝተመዝገበ እቲ ዝልዓለ ቑጽሪ ምዃኑ የመልክት። ድሕሪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ድማ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ዝፍጸሙ መጥቃዕቲ ከም ዝወሰኹ ኤፍቢኣይ ይገልጽ። \"መዓልታዊ ቑጽሮም እናወሰኸ ዝመጽአ መናእሰይ ብርክት ዝበሉ ጭካነ ዝተመልኦም ገበናት ይፍጽሙ ኣለው። እዚ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ'ዩ\" ክብል እቲ ዳይሬክተር ተዛሪቡ። ኣብ 2022 ጥራይ፡ 17 ፖሊስ ብጥይት ከም ዝተቐትሉ ሓበሬታ ፍራተርናል ኦርደር ኦፍ ፖሊስ የመልክት።","category":"ሰብኣዊ መሰላት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61226218"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ውጻእ መዓት ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈጸመ ገበን ኲናት እንታይ ኢሎም?","content":"ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ ምጽጻይ ዓሌት ከም ዝተፈጸመ ትማሊ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስዎችን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ብሓባር ዘውጽኡዎ ጸብጻብ የመልክት። እቶም ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት: ብሓባር ኣብ ዘውጽኡዎ ጸብጻብ፡ ካብ ክልል ኣምሓራ ዝመጽኡ ሓይልታት ጸጥታን ሓለፍቶምን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝኾኑ ገበናት ኲናት ይፍጽሙ ከም ዘለው ኣስፊሮም ኣለው። መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ግን እቲ ክሲ ከም ዘይቕበሎ ገሊጹ። ሓደ ወዲ 23 ዓመት ትግራዋይ ነቶም መርመርቲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ኣብ ኣፍ ሞት ዘብጽሕ ማህረምቲ ከም ዝፈጸምሉ ተዛሪቡ። \"ካብዚ መሬት ከነጥፍኣኩም ኢና፤ መሬትና እዩ። ኣብዚ ኸባቢ ዝነብር ተወላዲ ትግራይ ናይ መወዳእታ ግዚኡ'ዩ\" ዝብሉ ቃላት ይዛረቡ ከም ዝነበሩ'ውን ሓቢሩ። ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ካብ ዝጅመር ንድሓር ጋዜጠኛታት ኮኑ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ምዕራብ ትግራይ ክኣትው ኣይክኣሉን። ኩሉ ዓይነት መራኸቢ ኣማራጺታት'ውን ተቛሪጹ ይርከብ። ዞባ ምዕራብ ትግራይ፡ ብዙሓት ካብ ክልል ኣምሓራ ሕቶ ይግብኣኒ ዝቐርበሎም ከባቢታት ዝሐዓዘ ኮይኑ ንነዊሕ ዓመታት ፖለቲካውን ቁጠባውን ክትዓት ክቐርበሉ ጸኒሑ። ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ሞንጎ ኣብ መዋሰንቲ ከባቢታት ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዝነብሩ ሰባት ግጭታት ይልዓሉ ነይሮም። ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድን መራሕቲ ትግራይን ብዝተፈጥረ ውጥጥ ድሕሪ ዝስዓበ ጎንጺ ድማ እቶም መዕለቢ ከይረኸቡ ዝጸንሑ ጸገማት እናሰፍሑ መጺኦም። እቲ ኲናት ምስ ተጀመረ ድማ ሓይልታት ኣምሓራ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምዃን ናብ ምዕራብ ትግራይ ብምግስጋስ ሓድሽ ምምሕዳራዊ መሓውር ዘርጊሖም። ኣብቲ በዓል 239 ገጽ ጸብጻብ እቶም ተሓለቕቲ መሰላት፡ 423 ሰባት ቃለ መጠይቕ ክግበረሎም እንከሎ መብዛሕትኦም ካብ ዝተፈላለዩ መጥቃዕታት ብህይወት ዝተረፉ'ዮም። ብተወሳኺ ናይ ሳተላይት ስእልታት መጣቐሲ እቲ ዝተኣከበ ሓበሬታ ኮይኖም። ኣብዚ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝወሰደ ናይ መርመራ ስራሕ ብፍላይ ምዕራብ ትግራይ ኣዝዮም ካብ ዝተጎድኡን ብዙሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ቅትለትን ዝተፈጸሞ ከባቢ ምዃኑ ሓቢሮም። እቲ ከባቢ እኹል ትኹረት ከም ዘይረኸበ'ውን ኣመልኪቶም። ሰራዊት ምክልኻል ፌደራል ስጉምቲ ምውሳድ ኣብ ዝጀመረሉ መዓልቲ ኣብ ማይካድራ 229 ሰባት ብኽልቲኡ ወገን ክቕተሉ እንከለው ኣብቲ ግዜ ኣዝዩ ዘሰክፍ ቕትለታት ተፈጺሙ'ዩ። እቲ ጸብጻብ ከም ዝብሎ'ውን ብሕነ ምፍዳይ ሓይልታት ጸጥታ ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ፈጺሞም። ቤትን ንብረትን እውን ወሪሶምን ዘሚቶምን። ኣብቲ መርመራ ቃለ መጠይቕ ካብ ሞንጎ ዝተገብረሎም ሐዓንቲ ጀሚላ፡ ነባሪት ከተማ ዳንሻ ኮይና ኣብ እንዳ ጸጉሪ ትሰርሕ ነይራ። እዛ ጓል 27 ዓመት መንእሰይ፡ ሓደ ንጉሆ ናብ እትሰርሐሉ ቦታ ወተሃደራት መጺኦም ኣብ ቅድሚ ቈልዓ ክልተ ዓመት ውላዳ ከም ዝዓመጹዋ ገሊጻ። \"ተጋሩ ካብዚ ከባቢ ክትጠፍኡ ኣለኩም\" ይብሉ ነይሮም ትብል። ካልኦት ቃሎም ዝሃቡ ሰባት'ውን መብዛሕትኦም ከባቢታት ምዕራብ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ጸጥታ ኣምሓራ ምስ ኣተው፡ ትግርኛ ምዝራብ ከም ዝተኸልከለን ካብቲ ከባቢ ንክወጽኡ ይግደዱ ከም ዝነበረን ይጠቅሱ። መዓልታዊ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ወይ 72 ሰዓታት ነቲ ከባቢ ለቒቖም እንተዘይወጺኦም ከም ዝቕተሉ ዝገልጹ መልእኽታት ይበጽሖም ከም ዝነበረ'ውን ገሊጾም። እቶም ውጻእ መዓት ከም ዝብሉዎ፡ ንኣብነት፡ ብ17 ጥሪ 2021 ዓ.ም ኣብ ዓዲ ጎሹ ዕጡቓት ኣምሓራ ኣስታት 60 ተወለድቲ ትግራይ ናብ ድልድል ተከዘ ብምውሳድ ከም ዝረሸኑዎምን እዚ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ስግኣት ብምሕዳሩ ካብቲ ከባቢ ሃዲሞም ከም ዝመወጽኡን ገሊጾም። መስፍን፡ ሓደ ካብ ሞንጎ ካብዚ ቕትለት ዝተረፉ ሰባት እዩ። \"ተር ኣቢሎም ኣብ ልዕሌና ተኹሲ ከፊቶም፤ ኣብ የማናይ እንግድዐይን የማናይ ኢደይን ተወቒዐ። ኣብ ጎነይ ዝነበሩ ሰባት ረጊፎም። ሃንደበት ኣብቲ ዝወደቕኹሉ ቦታ ክነቅሕ እንከለኹ ንነብሰይ ብኣስክሬን ተኸቢቡ ረኺበዮ\" ይብል ወዲ 57 ዓመት መስፍን። መስፍን ካብቲ ዝወደቐሉ ቦታ ተላዒሉ ናብ ጫካ ክኣቱ እንከሎ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ጓሶት [ሓለውቲ ጥሪት] ከም ዝረኸቡዎን ሓቢኦም ከም ዘሕወዩዎን ነቶም መርመርቲ ገሊጹ። ዋላ'ኳ ንሱ ብህይወት እንተተረፈ ወዱን በዓል ቤት ጓሉን ግን ተቐቲሎም። ካብዚ ሓሊፉ፡ ጥሪት፣ ሕርሻን መንበሪ ኣባይትን ተጋሩ በቶም ሓይልታት ጸጥታ ዒላማ ተገይሮም ነበርቲ መግቢ ከይረኽቡ ከም ዝተኸልከሉ እቲ ጸብጻብ የመልክት። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስዎችን ከም ዝብሉዎ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተወለድቲ ትግራይ ካብ ሕጊ ወጻእ ኣብ ቀይዲ ከም ዝርከቡን ብህጹጽ ክፍትሑን ሓቲቶም። \"እዚ ወፍሪ ምጽናት ዓሌት ብጃምላዊ ማእሰርትን ስቅያትን፣ ጾታዊ መጥቃዕቲ፣ ካብ ፍርዲ ወጻእ ብዝፍጸም ቕትለት፣ ሰብኣዊ ረድኤት ብምኽልካልን ተወለድቲ ትግራይ ብኣስገዳድ ብምምዝባልን ብዝተፈጸሙ ተኸታታሊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እዩ ተፈጺሙ\" ክብል ተመራማሪ ኣምነስቲ ኣቶ ፍስሃ ተኽለ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ብተወሳኺ ከም ፋኖ ዝበሉ ዘይስሩዕ ኣወዳድባታት ሚሊሻ ዕጥቆም ክፈትሑን ምስቶም ዝተፈጸሙ ግህሰታት ርክብ ዘለዎም ሰብ መዚ ኣምሓራ ተኣጊዶም፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዓለምለኻዊ ኣኽባሪ ሰላም ኣብ ምዕራብ ትግራይ ክዋፈርን እቶም ትካላት ሓቲቶም። እቲ ኲናት ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከመዛብል እንከሎ ኣማኢት ኣሽሓት ብጥምየት ክሳቐዩ ገይሩ ኣሎ። ዋላ'ኳ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ተኣዊጁ ናብ ትግራይ ረድኤት ዝጽዓና መካይን ንፈለማ እዋን ክኣትዋ እንተጀመራ፡ እቲ ኲናት ግን መሊኡ ጠጠው ኣይበለን። ምዕራብ ትግራይ ግን ሕጂ'ውን ዘድልዮ ረድኤት ከም ዘይረኸበ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ። ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ኩሎም ሓይልታት ብከበድቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይኽሰሱ። ብፍላይ ወተሃዳራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ትግራይ 'ቅድስቲ ከተማ' ዝኾነት ኣኽሱም፡ ጃምላዊ ጨፍጫፍ ፈጺሞም፤ ከቢድ ጾታዊ መጥቃዕቲ'ውን ፈጹሞም ዝብል ክሲ ዝቐርበሎም ኮይኑ፡ ሓይልታት ትግራይ'ውን ቅድሚ ኣዋርሕ ተቖጻጺሮምወን ኣብ ዝነበራ ከባቢታት ኣምሓራ ከም ገበናት ኲናት ክቑጸር ዝኽእል መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ዝገልጹ ክስታት ቀሪቦምሎም።","category":"ሰብኣዊ መሰላት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60992630"} {"headline":"ኣብ ኒውዮርክ፡ ኣንጻር ኲናት ትግራይ ተቓውሞ ዘስመዐ ኣትሌት ተሾመ መኮንን፡ መን እዩ?","content":"ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣብ ኣመሪካ፡ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ብምስታፍ ንውድድሩ ብሓደ ሰዓትን 40 ካልኢትን ብምዝዛም ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ ዝተዓወተ ኣትሌት ተሾመ መኮነን፡ ኣንፃር እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ግፍዕታት ብምቅዋም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ነቒፉ። ኣትሌት ተሾመ፡ ነቲ ውድድር ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ክልተ ኣእዳዉ ንላዕሊ ኣውፂኡ ብምምስቓል፡ \"ኣብ ትግራይ ዘሎ ጃምላዊ ጨፍጫፍ ደው ይበል\"፣ \"ኣብይ ኣሕመድ ውልቀ መላኺ'ዩ\" ብምባል ኣብ መድረኽ ዓለም ተቓውምኡ ገሊፁ'ዩ። ኣብ ብዙሓት ዓለምለኸ ውድድራት ጉያ ዝተሳተፈ ኣትሌት ተሾመ ምስ ቢቢሲ ሓፂር ጻንሒት ገይሩ ኣሎ፡ መን እዩ ዝብል ክንድህስስ ኢና። ሓረስታይ ኣቦይ መኮነን፤ ዘስመዩ ብርቱዕ ጎያይ'ዮም ነይሮም፤ በዚ ድማ ነበርቲ እቲ ከባቢ 'ጉያስ ከም ኣይተ መኮነን 'ምበር' ብምባል የውግዑ ነይሮም። ኣብ ትግራይ ከባቢ ብዘት ደብረዳሞ ተወሊዱ ዝዓበየ ኣትሌት ተሾመ'ውን፡ ንሓረስቶት ስድርኡ ካብ ምሕጋዝ ብዝዘለለ፡ ከም'ቲ 'ራዛ ናይ ኣቡኡ ሓዛ' ዝበሃል፡ ህፃን ተሾመ'ውን ንጡፍ ጉያ ወላዲኡ ንውሽጡ ክገዝኦን ክፀልዎን ጀመረ። ሻቡ ኣብ መድረኻት ዓለም ክወዳደር'የ ዝብል ሓሳብ ዋላ'ኳ እንተዘይነበሮ፡ ከም ሓደ ወዲ ሓረስታይ ግና ፍቖዶ ዱርን ገደልን ምስ እንስሳትን ተፈጥሮን እንከይተረፈ ክጓየይ፡ ክቀዳደም ይውዕል ከም ዝነበረ ይዝክር። \"ወላድየይ ብጣዕሚ ጎያይ እዩ ነይሩ፤ መሓዝቱይ 'ክላእ ንስኻ ናይ ኣቦኻ ኣይሓዝካን፡ ናይ ኣቦኻ እንተትሕዝስ ዝሕዘካ ኣይምነበረን' እናበሉ ይቕሉድለይ ነይሮም\" ዝብል ኣትሌት ተሾመ፡ \"ህፃን ኮይነ፡ ምስ ማንቲለን ውሑጅን ይቀዳደም ነይረ\" ብምባል ፍቕሪ ጉያ ኣብ ውሽጢ ዝሓደረሉ እዋን ቁልዕነቱ ንድሕሪት ምልስ ኢሉ ኣውጊዑና። ኣብ ግዘ ቁልዕነቱ ካብ ቤተ ክርስትያን ብዘይምፍላይ ብዘርእዮ እምነት፣ ብምስጉን ባህርያቱን ንዝተብኣሱ ሰባት ብምትዕራቕን ዘዘውትር ከምዝነበረ ዝዛረብ ተሾመ፡ ደሓር ፍቕሪ ጉያ ወላዲኡ እናሓደሮ ከምዝመጽአ ይዝክር። ኣብቲ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ዝኸደሉ ብዘት ናይ ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ ተምሃራይ ኮይኑ፡ ጉያ'ውን ጎና ጎኒ ኣስኳላ ከኽይዶ ጀመረ። ዓስራይ ክፍሊ ምስ በፅሐ ግና፡ ከምቲ ፈለማ ከም ወላዲኡ ንፉዕ ጎያይ ንምዃን፡ ንጉያ ፍሉይ ትኹረት ክህቦ ጀሚሩ። ብ2001 ዓ.ም ኣቆፃፅራ ግእዝ ዓቕምን መፃእን ተሾመ ዝውስን መቐይሮ ነጥቢ ተፈጠረ፤ ብብርኪ ክልል ኣብ ዝተገበረ ውድድር ብጥራይ እግሩ ብምውድዳር ስሩዕ ውድድር ጉያ ኣሃዱ ኢሉ ጀሚሩ። \"ኣብ ዛላምበሳ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 15 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ውድድር ጉያ ጎደና ብጥራሕ እግረይ ጎይየ ሳልሳይ ወፂአ። ሻቡ ወለደይ ሓረስቶት ስለ ዝኾኑ ግና ናብ ጋንታ ኣይተፀንበርኩን፤ ንወለደይ እናሓረስኩ ክሕግዝ ናብ ገዛይ ተመሊሰ\" ይብል። ብድሕሪኡ ኣብ ከተማ ዓድግራትን ዓብይ ዓድን ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ብምስታፍ ካብ ወረዳታት ትግራይ ቀዳማይ፣ ተሓቑፎም ካብ ዝሰርሑ ጋንታታት ድማ ራብዓይ ኮይኑ እንትዛዝም፡ ተሾመ ኣብ ሓፂር እዋን ንሳልሳይ ግዘ ቀዳማይ እንትወፅእ ዝተዓዘቡን እዚ ሰገን ኣብ ዓብይ ፀፍሒ ኣትሌቲክስ ክበፅሕ ከምዝኽእልን ዝተርኣዮም ኣሰልጠንቲ ጋንታታት ትግራይ ኣብ ዓይኒ ኣእተውዎ። ኣብ ምዝዛም እቲ ዓመት ድማ ብወግዒ ኣትሌት ኮይኑ ናብ ጋንታ መስፍን ኢንዳስትርያል ኢንጂነሪንግ ተፀንበረ። \"መስፍን ሻቡ ተቐቢሎም፡ እኹል ድጋፍ ገይሮምለይ'ዮም። ከም ኣቦን ኣደን ኮይኖም ኣብዚ ብርኪ ኣብፂሖምኒ'ዮም\" ዝብል ኣትሌት ተሾመ ብድሕሪኡ ብወረዳታትን ብብርኪ ክልልን ዓወታት ብምጉንፃፍ ዝጀመሮ ናይ ጉያ ህይወት እናገወደ፡ ንፃት ደው ክብል ዘይመርፀሉ ብብርኪ ሃገርን ዓለምን ናብ ዝወዳደረሉ ምዕራፍ ተሰጋገረ። ኣትሌት ተሾመ፡ ብወግዒ ናብ ጋንታ መስፍን ድሕሪ ምፅንባሩ ንኢትዮጵያ ወኪሉን ብውልቁን ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣብ ዝተሳለጡ ውድድራት ኣትሌቲክስ ብምውድዳር ብርክት ዝበሉ ዓወታት ሓፊሱ'ዩ። ብ2005 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ዩጋንዳ ካምፓላ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ትሕቲ 18 ዓመት ሰገናት ውድድር ጉያ ሸሞንተ ኪሎ ሜትር፡ ንኢትዮጵያ ወኪሉ ብምስታፍ ዓስራይ ዝወፅአ እንትኾን፡ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2016 ኣብ ብሪጣንያ ለንደን ካርዲፍ ሲቲ ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ለኸ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ድማ ብምስታፍ መበል 11 ኮይኑ ውድደሩ ዛዚሙ። ክልቲኦም ዓለም ለኸ ውድድራት ኣብ ጉዕዞ ናይ ኣትሌቲክስ ሂወቱ መሰረት ከም ዘንፀፉ ዝገልፅ ተሾመ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ዝተኻየዱ ኣስታት ዓሰርተ ዓለምለኸ ውድድራት ድርብ ዓወት ዝተጎናፀፈሎም'ዮም ኮይኖም። ኣብ 2019 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ንኢትዮጵያ ወኪሉ ንምውድዳር ናብ ኣሜሪካ ዝተጓዓዘ ኣትሌት ተሾመ ከም ወትሩ ዓወት ሓፊሱ ናብ ዓዲ ንምምላስ ሓሳቡ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብቲ ዓመት ብዘጋጠመ ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ንዑ ስዒቡ ብዝተኣወጁ ዕፅዋታትን ኣብ ኣሜሪካ ክፀንሕ ተገዲዱ። ኣትሌትተሾመ ኣብ ዓመተ 2020 እውን ናብ ዓዲ ክምለስ ኣይከኣለን፡ እቲ ካብ ስድራይ ፈልዩ ኣብ ሂወተይ ፅልዋ ኣሕዲሩለይ ዝብሎ ኵናት ትግራይ ተወሊዑ። ወርሒ ሕዳር ዓመተ 2020 እቲ ኣብ ትግራይ ሂወት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ዝበልዐ፣ ሚልዮናት ካብ መረበቶም ዘመዛበለ፣ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ንክፍፀም ጠንቂ ዝኾነን 6.3 ሚልየን ካብ ህዝቢ ትግራይ ተፀባይ ህፁፅ ሓገዝ ንክኾኑ ዘገደደን ኵናት ዝተወልዐሉ እዋን'ዩ። እዚ ኵናት ኣብ ሂወቱ፣ ኣብ ሞይኡን ኣብ ስድርኡን ፅልዋ ከም ዝፈጠረ ዝገልፅ ተሾመ፡ ኣሰልጣኒኡን ካልኦት ኣትሌታት መሓዙቱን'ውን በቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝነበረ ጃምላዊ ማእሰርቲ ተጋሩ ግዳይ ከም ዝኾኑ ይገልፅ። በዚ ድማ ተሾመ ዕጫ ኣሰልጠንቱን መሓዙቱን ከይበፅሖ ብምስጋእ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምምላስ ሓሳቡ ክቕይር ከም ዘገደዶ ንቢቢሲ ገሊፁ። \"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ናይ ሞያ መሓዙተይን ብሄር ከይፈለየ ብማዕረ ዘሰልጥን ኣሰልጣንየይን ብሰንኪ መንነቶም ተኣሲሮም'ዮም። ኣነ እንተተመሊሰ'ውን እዛ ዕጫ እዚኣ'ያ ትፅበየኒ\" ኢሉ። ኣትሌት ተሾመ፡ ኣብዚ ዓመተ 2022 ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ'ኳ እንተተዓወተ፡ በቲ ዝረኸቦ ውፅኢት ግና ሕጉስ ይኮነን። ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ዘይእዉጅ ዕፅዋ ኣብ ትግራይ ንዘለዉ ስድርኡ ክረክብ ከም ዘይኸኣለ ዝዛረብ ኣትሌት ተሾመ፡ እዚ ኣብ ሞያዊ ህይወቱን ኣብ ውፅኢቱን ፅልዋ ከምዘሕደረ ይገልፅ። \"ቤተሰበይ ክረክብ ኣይክኣልኩን፣ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ወሪዱ ዘሎ ፀገም ብቕልጡፍ ክፍታሕ ብዘይምኽኣሉ፡ ብጣዕሚ እዩ ፀልዩኒ። ኣብ ጭንቅን ናፍቖትን'የ ዘለኹ\" ዝብል ኣትሌት ተሾመ፡ ካብ ካልኦት ኣዝማዱ ብዝረኸቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ገለ ኣባላት ቤተሰቡ \"ቅትለትን ፆታዊ ዓመፅን\" ከም ዝተፈፀመ ንቢቢሲ ይሕብር። ኣብዚ ኣብ ኒውዮርክ ዝተኻየደ ውድድር፡ \"ንህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ወኪሉ ከም ዝተወዳደረ\" ዝገልፅ ኣትሌት ተሾመ፡ ምስኡ ቀዳማይን ካልኣይን ኮይኖም ዝተዓወቱ ኬንያውያን ኣትሌታት ምስዝርእይ፡ ኣብ ተሾመ ዝተፈጠረ ስምዒት ግና ናይ ዓወትን ሓጎስን ኣይነበረን። ኣትሌት ተሾመ፡ \"ቅድሚ ሕዚ ባንዲራ ኢትዮጵያ ሒዘ ብዙሕ መድረኻት ጎየን ተዓዊተን እየ። ሕዚ ባንዴራ ኢትዮጵያ ከይሓዝኩ ደው ምባለይ ኣየሐጉሰንን ግና፡ ንሂወተይን ንሂወት ህዝቢ ትግራይን ክብል ገይረዮ\" ብምባል፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ግፍዒ ኣብቲ መድረኽ ከቃልሕ ከም ዝደረኾ ይገልፅ። \"ተቓውሞይ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘይኮነስ ምስቲ ነዚ ፀገም ዝፈጠረ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ እዩ\" ክብል ይዛረብ። \"ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ኣሎ፡ ኣደታትና፣ ኣሕዋትና፣ ህዝብናን ቅርስታትናን ኮታስ ኩሉ ነገር ዓንዩ። ህዝቢ ብጥሜት ክረግፍ ይግበር ኣሎ። እዚ ዓለምለኻዊ ሕጊ ዝቕበሎ ስለ ዘይኮነ፡ መንግስታት ዓለም ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገምን ፀበባን ፍታሕ ንክህቡ'የ ተቓዊመ\" ይብል ኣትሌት ተሾመ መኮንን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ወተሃደራቱ ምፅናት-ዓሌት ከም ዘይፈፀሙ'ዩ ዝምጉት። ነቲ ንትግራይ 'ኣብ ዘይእውጅ ዕጽዋ ኣእትይዋ ኣሎ' ዝብል ክሲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት'ውን፡ ኣይቕበሎን። ብዛዕባ ዘረባ እቲ ኣትሌት ግን ዝበሎ የለን። ኣቦ ክልተ ቆልዑን በዓል ሓዳርን ዝኾነ ኣትሌት ተሾመ መኮነን፡ ኣብዚ ሕዚ በፂሕዎ ዘሎ ፀፍሒ ንክበፅሕ በዓልቲ እንድኡን ማናጀሩን ኣብዚ ከቢድ ግዘ ኣፅኒዓ ዓወት ንክጎናፀፍ ዕዙዝ ግደ ከም ዘለዋ'ዩ ዝገልፅ። ኣትሌት ተሾመ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዕፅዋን ዘይዛረየ ፀበባን ናብ ንቡር እንተተመሊሱ ባህግታቱ ብዙሕ ከምዝኾነ እዩ ዝዛረብ። ድሌቱ ናብታ ሀ ሁ... ኣትሌቲክስ ኣምሂራን ኣብቂዓን ናብዚ ብርኪ ንክበፅሕ መሰረት ዝኾነት ጋንትኡ መስፍን ኢንዳስትርያል ኢንጂነሪንግ ምምላስ ወይ ድማ ኣብ ትግራይ ምስ ዘለዉ ስድርኡን ኣዝማዱን ኢሉ'ውን ህዝቡ ጥራሕ ምርኻብ ኣይኮነን። \"እዚ መንግስቲ ከይተቐየረን እቲ ዘሎ ስርዓት ናብ ሰላም ከይተመለሰን ናብ ዓዲ ዝምለሰሉ መገዲ የለን\" ዝብል ኣትሌት ተሾመ፡ \"ንፅባሕ ግና ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ወሪድዎ ዘሎ ሽግርን ፀበባን ወጺኡ፣ ትግራይ ሃገር ኮይና፡ ንሃገረይ ወኪለ ንክጎዪ እብህግ\" ይብል።","category":"ሰብኣዊ መሰላት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61114218"} {"headline":"ኲናት ትግራይ፡ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ቢቢሲ ብዛዕባ ምዕራብ ትግራይ ንዘውጽኦ ጸብጻብ ነቒፉ","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ንዝተፈጸመ ገበናት ኲናት ዝሕብር ጃምላዊ መቓብራት ኣብ ምዕናው ከምዝተሳተፈ ዝሕብር ናይ ቢቢሲ ጸብጻብ ሓቅነት የብሉን ክብል ነቒፉ። ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዝወጸ ጸብጻብ ቢቢሲ ገለ ኪኢላታት ናይቲ ዩኒቨርሲቲ፡ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ሚሊሻ ነቲ ተጋሩ ዝተቐብርሉ ጃምላዊ መቓብራት ዘጥፍእሉ ኣገባባት ክነግርዎም ከምዝተራእዩ ዝገልጽ'ዩ። እቲ ዩኒቨርሲቲ ናብ ቢቢሲ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ እቲ ጸብጻብ \"ዘይተረጋገጸ ክሲ\" ክብል ነጺግዎ'ሎ። ሬሳታት ተጋሩ ዝተቐብርዎ ጋህስታት ከምዘይተረኽበ'ውን እቲ ዩኒቨርሲቲ ገሊጹ። ከምኡ ዓይነት ጭብጥታት እንተዝርከብ ነይሩ \"እቲ ጉጅለ መጽናዕቲ . . .ቅድሚ ኩሉ ምሓበረን መርትዖ መቕረበን\" ይብል እቲ ዩኒቨርሲቲ። \"እዚ ዩኒቨርሲቲ'ዚ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉ ልዑል ክብሪ ዝወሃቦም መጽናዕታዊ ትካላት ትምህርቲ ኮይኑ፡ ሕብረተሰብ ዘጋጥሞ ዓበይቲ ጉዳያት ኣብ ምፍታሕ ዝተጸምደ'ዩ\" ኢሉ። ጎንደር ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ ሬሳታት ብጃምላ ዝተቐብርሉ ጋህስታት ከምዝተረኽበን፡ እንተኾነ ግና ካብ 1990ታት ጀሚሩ ብህወሓት ዝተቐትሉ ኣምሓራ ዝተቐብርሉ ምዃኖም'ዩ ዝምጉት። እቲ ካብ 1991 ጀሚሩ ን27 ዓመታት ዓብላሊ ኢድ ዝነበሮ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ኣብ 2018 ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ካብ ማእከላይ መንግስቲ ከምዝተገለለ ይፍለጥ። ኣብ መንጎ ብኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ዝነበረ ህወሓት እናንቆልቆለ ዝመጸ ምትፍናን ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ምምርሑ ይዝከር። ኣብቲ ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት፡ ኩሎም ወገናት ጃምላዊ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ዝርከቦም ከቢድ ምግሃስ መሰላት ከምዝተፈጸሙ ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ዓለምለኻውያን ተሓለቕት መሰላት ይኸሱ። ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሓይልታት ጸጥታ ዝርከብ ምዕራብ ትግራይ ዘለዉ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ከምዝበልዎ፡ ሬሳታት ተጋሩ ኣብ ጋህስታት ብምውጻእ፡ ጭብጥታት ከምዝጠፍኡ ይግበር ኣሎ። እቲ ስጉምቲ፡ ገበናት ኲናት ተፈጺሙ እንተኾይኑ ንምርግጋጽ መርመርቲ ሕቡራት ሃገራት ናብቲ ከባቢ ክኸዱ ኣብ ዝበሃለሉ እዋን'ዩ ተወሲዱ ዝብሃል ዘሎ። እቲ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝሰፍሐ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ምፍንቓልን ጥምየትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ይርከብ። ብፍላይ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ምሉእ ዕጽዋ ኣትያ ብምሃላዋ፡ ሰብኣዊ ኩነታት እናኸፍአ ክመጽእ ከምዝጸንሐ ይግለጽ። ናብታ ክልል ዝኣቱ ሰብኣዊ ረዲኤት ብቐጻሊ ክተዓናቐፍ ብምጽንሑ'ውን ነቲ ኩነታት ንምፍታሕ ኣይተኻእለን። ኣብ ትግራይ፡ ምቁራጽ ኣገልግሎታት መራኸቢታት፡ ባንክን፡ ኤለክትሪክን ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ከቢድ ጸቕጢ ፈጢሩ ከምዘሎ ይግለጽ።","category":"ሰብኣዊ መሰላት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61399052"} {"headline":"‘‘ከም ፋኖ ዝበሉ ጉጅለታት ካብ ምዕራብ ትግራይ ክወጽኡ ኣለዎም’’ ኣምነስቲ","content":"ኣቶ ፍሳሃ ተክሌ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናይ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ተመራማሪ እዩ፡፡ ትማሊ ትካሉ ምስ ህዩማን ራይትስ ዎች ኮይኑ ዕላዊ ዝገበሮ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ትኹረት ዝገበረ ጸብጻብ ዝምልከት ምስ ቢቢሲ ሓጺር ጻንሒት ገይሩ ኣሎ፡፡ ቢቢሲ፡ ሓይልታት ትግራይ ከምኡ እውን ኣብ ትግራይ ኣተኲሮም ዝጉስጉሱ ጉጅለታት፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ምጽጻይ ዓሌት ዘይኮነት ዓሌታዊ ጨፍጫፍ (ጄኖሳይድ) እዩ ተፈጺሙ ክብሉ ይስምዑ፡፡ ናሃትኩም ጸብጻብ ድማ ምጽናት ዓሌት ተፈጺሙ ዝብል ድምዳመ ወሲዱ ኣሎ፡፡ ብኸመይ? ኣቶ ፍሳሃ፡ ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ዝብል ክሲ ኣብቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ብሰፊሕ ይለዓል እዩ፡፡ ኮይኑ ግና ንሕና ኣብቲ ዝኣከብናዮ መረዳእታ መሰረት ጌርና ኢና ጸብጻብ እነዳሉ፡፡ ስለዚ ኣብቲ ዝኣከብናዮ መረዳእታ ነቲ ከባቢ ካብ ሓደ ብሄር ናይ ምጥፋእ ተግባር እምበር ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ዘመላኽት መረዳእታ የብልናን፡፡ እዚ ማለት ግን እዚ ነገር ሙሉእ ብሙሉእ የለን ማለት ዘይኮነስ፡ ኣብቲ ቦታ ተረኺብካ ምርመራ ምግባር እንተዝከኣል ኣብቲ ደረጃ ክበጽሕ ዝኽእል ነገር ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ኮይኑ ግና ንሕና ብመጠን እቲ ዘለና መረዳእታ ኢና ክንዛረብ እንኽእል፡፡ እዚ ነገር ኣይተፈጠረን ኢልና መረጋገፂ ዘይኮንና እንህብ ዘለናስ ፡ እቲ ዘለና መረዳእታ መሰረት ጌርና፡ እቶም ዝተፈጸሙ ገበናት ምጽናት ዓሌት'ዮም ኢና ኢልና፡፡ እዚ ማለት ግን ዝተፈጸሙ ገበናት ቀለልቲ እዮም ኣይኮናን እንብል ዘለና፡፡ ናብ ጄኖሳይድ እንትንመጽእ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ገበን እዩ ዝመስል፡፡ ኮይኑ ግና ኣብ ዓለም ለኻዊ ገበን፡ ናይ ገበን ደረጃታት የለን፡፡ ኣብ ዓለም ለኻዊ ገበን ዝተቐመጡ ኣርባዕተ ገበናት እዮም፡፡ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝፍጸም ገበን፣ ገበን ኲናት፣ ምጽናት ዓሌትን ወራርን እዮም፡፡ እዚኦም ከበድቲ ስለ ዝኾኑ እዮም ኣብዚ ውሽጢ ተኻቲቶም፤ ከምኡ ድማ እቲ ሓደ ካብቲ ካልእ ኣይበልጽን፡፡ ምጽናት ዓሌት ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ኣብ ዝፍጸሙ ገበናት ዝካተት ኮይኑ ኩሎም እዞም ገበናት ምስ ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ማዕረ ትኹረት ዝወሃቦም እዮም፡፡ ቢቢሲ፡ ኣብ ጸብጻብኩም ዓለምለኻዊ መሻርኽቲ ዝብልኩምዋ ንኤርትራ ጥራሕ ድዩ ወይስ ናይ ካልኦት ሃገራት ተሳትፎ እውን ተዓዚብኩም ኢኹም? ኣቶ ፍሳሃ፡ ካብ ወታሃደራት ኤርትራ ወጻኢ፡ ኣብቲ ቦታ ብኣካል ተረኺበን ተሳቲፈን እንብለን ሃገራት የለዋን፡፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ መጀመርታ እቲ ኲናት ኣትሒዙ ኣብ ጎኒ ወታሃደራት ኢትዮጵያ ኮይኖም ይዋግኡ ነይሮም፡፡ ብፍላይ ምስ ደብዳብ ከቢድ ብረት ብዝተሓሓዝ፡ ኦም ሓጀር ተባሂሉ ካብ ዝጽዋዕ ግዝኣት ኤርትራ ከባቢ ደብዳብ ይካየድ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ፡፡ ናብ ካልኦት ከባቢታት ኣትዮም ኣብ ዝተፈላለዩ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝተሳተፉ እውን ይዝከር፡፡ ስለዚ ኣብዚ ጸብጻብ ክንብሎ ዝደለና ሰራዊት ኤርትራ እዮም፡፡ ቢቢሲ፡ መንግስቲ ድማ ዘይስሩዕ ጉጅለታት ከፍርስ ሓቲትኩም ኢኹም፡፡ ኣብዚ እዋን እቲ ኲናት ብኽልቲኦም ወገናት ዘለዎ ኩነታት ዝፍለጥ እዩ፡፡ እዚ ክንደይ ዝኣክል ተግባራዊ ክኸውን ይኽእል? ኣቶ ፍሳሃ፡ ከምዚኦም ዝበሉ ምኽረ ሓሳባት ኩሉሻዕ ዝወሃቡን ቅዋም እንወስደሎምን ኣይኮኑን፡፡ ብቐሊሉ ዝብጸሐሎም እውን ኣይኮኑን፡፡ ኮይኑ ግና ብመንጽር እቲ ከም ፋኖ ዝበሉ ውዳበታት ሚልሻ ዝፈጽምዎ ግህሰት መሰላት፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ንዘለዉ ብፍላይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዘለዉ ተጋሩ፡ እዞም ሓይልታት ኣብቲ ከባቢ ክጸንሑ ከቢድ ሓደጋ ኣለዎ፡፡ እዞም ሓይልታት ካብቲ ከባቢ ክወጽኡ ኣለዎም፡፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዝፈጸምዎ ግህሰታትት መሰል ስለንፈልጥ፡ ንሳቶም ክሳብ ዝሃለዉ ከቢድ ሓደጋ ስለ ዘስዕብ ኢና ዕጥቆም ፈቲሖም ይበተኑ ዝበልና፡፡ ቢቢሲ፡ እቲ ካልእ ምኽረ ሓሳብ ድማ ዘይተለመደ ከምኡ እውን ገዚፍ እዩ፡፡ ኣኽባሪ ሰላም ይእቶ ዝብል፡፡ እዚ ምኽረ ሓሳብ እንትትህቡ ነቶም ዝተጠቐሱ ትካላት ኣቕሪብኩምሎም ዲኹም? ኣቶ ፍሳሃ፡ እዚ ብናይ ክልቲኦም ኣካላት ስምምዕ ከምኡ እውን ብሕብረት ኣፍሪቃ ተመሪሑ ይእቶ ዝብል እዩ፡፡ እዚ ዝበልናሉ ምኽንያት እቲ ዘሎ ምስሕሓብ ስለንርዳእ እዩ፡፡ ብብዙሕ መልክዑ ክልቲኦም ወገናት ዝካትዕሉ ከባቢ ኮይኑ እቲ ጸገም ድማ ንነዊሕ ዓመታት ከይተፈተሐ ብምጽንሑ'ዩ ነቲ ኲናት ስዒቡ ጸገማት በዚሖም ዘለዉ፡፡ ስለዚ ጉዳይ ምዕራብ ትግራይ ብቐሊሉ ዝፍታሕ እዩ ኢልና ኣይንግምትን፡፡ ዓበይቲ ዝኾኑ ናይ ጥቕሚ ጎንጺታት ዘለዉዎ ከባቢ እዩ፡፡ እዚ ክሳብ ዝፍታሕ ግን ብኽልቲኡ ወገን ዘሎ ናይ ሲቪል ማሕበረሰብ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ እዩ፡፡ ኣብቲ ከባቢ ኲናት ዝለዓል እንተኾይኑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሲቪላት ንስጉምቲ ሕነ ምፍዳይ ክቃልዑ ይኽእሉ እዮም፡፡ እቲ ጉዳይ መዕለቢ ክሳብ ዝረክብ ምጽባይ ስለ ዘይከኣልን ግዘ እውን ስለ ዝደልን ሲቪላት ንምሕላው ክኸውን ዝኽእል ዓለምለኻዊ ወይ ዞባዊ ጸጥታ ዝሕሉ ሓይሊ እዩ፡፡ ነዚ ኩነታት ናብ ግምት ምእታው፡ ዝሃብናዮ ምኽረ ሓሳብ እዩ፡፡ ኣብዚ ጉዳይ ሕብረት ኣፍሪቃ ይኹን ሕቡራት ሃገራት ዝወሰድዎ ዝኾነ ስጉምቲ የለን፡፡ ኮሚሽን ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ከም ኣጀንዳ ገይሩ ተመያይጥሉ ኣይፈልጥን፡፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን ብጭቡጥ ዘምጸኦ ለውጢ የለን፡፡ ነዚ ምኽረ ሓሳብ ዘምጻናዮ፡ ካብቲ ኣብቲ ጸብጻብ ዘሎ ርኽበትን ዘሰክፍ ኩነታትን ተላዒሎም ክሓስቡሉ ኣንፈት ንምሃብ እዩ፡፡ እቲ ጸብጻብ ነቶም ትካላት ካብ ምሃብ ብተወሳኺ ምይይጣ ገጽ ንገጽ ምይይጣት ክንገብር ትልሚ ኣለና፡፡ ቢቢሲ፡ እቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘሎ ናይ መሬት ሕቶ ኲናት ኣብዘይብሎም ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ እውን ክለዓል ዝስማዕ እዩ፡፡እቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘጋሐመ ቅልውላውን ዝተፈጸመ ጥሕሰት መሰላትን ነቶም ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዘለዉ ወጥሪታት እንታይ ትምህርቲ ይህብ? ኣቶ ፍሳሃ፡ ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ሕዚ ኣብ ተግባር ዘሎ ሕገ መንግስቲ ካብ ዝጸድቕ ጀሚሩን ሓድሽ ምምሕዳራዊ ወሰን ካብ ዝካለልን ብዙሓት ናይ መንነትን መሬትን ሕቶታት ይለዓሉ እዮም፡፡ ካብ እዋን ስግግር መንግስቲ ዝጀመሩ ናይ ባዕልኻ ዕድል ባዕልኻ ናይ ምውሳን ሕቶታት ሓዊሱ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ሕቶታት ኣለዉ፡፡ ዋላ'ኳ ምዕራብ ትግራይ እዋናዊ እንተኾነ ብዙሓት ተዘክሮታት ኣለዉ፡፡ ኣብ መንጎ ዓፋርን ሶማልን ዘሎ ጎንጺ፣ ክልል ሲዳማ ንምምስራት ዝነበረ ብዙሕ ሰብ ዝሞተሉ ክስተት፣ ኣብ ወላይታን ጉጂን ዝለዓሉ ተመሳሰልቲ ክስተታት ምጥቃስ ይከኣል፡፡ እዚኦም ናይቲ ጸገም መግለጺ እዮም፡፡ እቶም ሕቶታት ኣብ ዝለዓልሉ መልሲ ኣይተውሃቦምን፡፡ ብሕገ መንግስቲ ኮነ ብኻልእ መልክዕ ዘላቒ መፍትሒ ኣይረኸቡን፡፡ ብኣንጻሩ ኣብ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኮነ ብዝተፈላለየ መልክዕ ሕቶ ንዘልዕሉ ብምእሳርን ብምቕታልን ሕቶኦም ክዕፈን ይፍተን ነይሩ፡፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ እውን ከምኡ እዩ ጸኒሑ፡፡ ልዕሊ 30 ዓመት ዘቑጸረ ሕቶ ኣሎ፡፡ ነቲ ሕቶ ኣብ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ዘቕረቡ ወይ ብሰላማዊ ሰልፊ ዝሓተቱ ሰባት ክቕተሉ ኢና ንዝክር፡፡ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ኣብ 2016 ኣብ ጎንደር ብዙሓት ሰባት ከም ዝተቐተሉ ንዝክር ኢና፡፡ ኣብ 2019 ኣምነስቲ ኣብ ጎንደር ቃለ መሕተት ኣካይዱ ነይሩ፡፡ ካብ ዝፈላለዩ ከባቢታት ወልቃይት ማለት ዳንሻ፣ ማይ ካድራ፣ ዲቪዥን፣ ሑመራ፣ ዓዲጎሹ ዝመጽኡ ሰባት ኣዛሪብና፣ ኣብዚ ጸብጻብ እውን ኣካቲትናዮ ኢና፡፡ እዞም ሰባት ነዚ ሕቶ ብምልዓሎም ጥራሕ ይእሰሩ፣ ይንገላትዑን ካብ ገዝኦም ይፈናቐሉን እዮም ነይሮም፡፡ ኣምሓርኛ ሙዚቃ ምስማዕ ዘይክእልሉ ኩነታት ከም ዝነበረ ኢና ንፈልጥ፡፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝሰራሕናዮ መጽናቲ እዞም ሕቶታት ክምለሱ ከም ዘለዎም ዘመልክት እዩ፡፡","category":"ሰብኣዊ መሰላት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61016230"} {"headline":"መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ሓይልታቱ 'መጥቃዕቲ ህወሓት' ንምምካት ድልዋት ክኾኑ ኣዚዙ","content":"ቤት ምኽሪ ጸጥታ ክልል ኣምሓራ፡ ሓይልታቱ ብህወሓት ክፍኖ ይኽእል እዩ ንዝበሎ መጥቃዕቲ ንምምካት ኣብ ተጠንቀቕ ክጸንሑ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ። እቲ ቤት ምኽሪ ትማሊ ዓርቢ ኣማስዩ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብቲ ክልል ንዘሎ ሰላምን ጸጥታን ብምግምጋም፡ ህወሓት \"ዕለታዊ ናይ ኵናት ነጋሪት እናቃለሐ ንህዝቢ ንውግእ ብምልዕዓል ኣብ ክልል ኣምሓራ ዳግማይ ኵናት ኣዊጁ ኣሎ\" ኢሉ። ብተወሳኺ ህዝቢ እቲ ክልል፡ ዳግማይ ግዳይ ወራርን መጥቃዕትን ህወሓት ንኸይከውን ሓይልታት ጸጥታኡ ብዝለዓለ ክዳሎን \"እቲ ደጀኑ ዝኾነ ህዝቢ ኣምሓራ ከኣ ሓላፍነቱ ክዋጻእ ድሉው ክኸውንን\" ከምዘለዎ ጻውዒት ኣቕሪቡ። ስለዝኾነ ምስ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ፈደራል ብምውህሃድ፡ ንዝፍነወሉ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ኣብ ተጠንቀቕ ክቐውምን \"ንስርዓተ ኣልቦኛታት ብምቁጽጻር\" ናይቲ ክልል ሰላምን ድሕነትን ንምሕላው ኩለንትናዊ ኣድህቦ ከምዘድሊ ሓቢሩ። ሓይልታት ትግራይ ብዛዕባ እቲ ንኲናት ይዳሎ ኣሎ ዝብል ክስታት ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ የሎን። ብኻልእ ወገን ምዕራብ ትግራይ ናይ ክልል ኣምሓራ እዩ ብምባል፡ ንርእሱ \"ናይ ወልቃይት ጸገዴ ናይ ኣምሓራ መንነት ኣምላሲ\" ኢሉ ዝፅውዕ ጉጅለ እውን፡ \"ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ህዝቢ ኵናት ኣዊጃ ኣላ\" ብምባል ነቲ ስግኣት ንምምካት ንዝግበር ፃዕሪ ደገፉ ገሊጹ። ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎችን ኣመነስቲ ኢንተርናሽልን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ዘካየድዎ መፅናዕቲ፡ ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ንተጋሩ ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕትታት ገበናት ኣንፃር ሰብኣውነት ከምዝፈፀሙ ብምኽሳስ ከም ፋኖ ዝበሉ ጉጅለታት ካብ ምዕራብ ትግራይ ክወፅኡን ንድሕነት ሰላማውያን ሰባት ዝከላኸል ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ክዋፈርን ሓቲቶም እዮም። ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ልዕሊ ሓደ ዓመትን መንፈቕን ከቑጽር እንከሎ ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሓት ጥቅምትን ሕዳርን ዝተኻየደ ተኸታታሊ ከቢድን ኲናት እቲ ውግእ ሃዲኡ ጸኒሑ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብዘይካ እቲ ክልቲኦም ወገናት ሓሓሊፎም ዝገብሩዎ ናእሽቱ ውግኣት ንሓድሕዶም እናተኻሰሱ ሰራዊት ከሰልጥኑን ከዳልውን ከምዝጸንሑ እዩ ዝንገር። ስለዝኾነ ከኣ ኣብ ሰሙን እዚ ዳግማይ ኵናት ክኽሰት ከምዝኽእል ዝእምት ሓበሬታ ክስማዕ ጸኒሑ ኣሎ። ኣብዚ ሰሙን እዚ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህወሓት ምስ ነበርቲ ናይቲ ክልል ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ክዘራረቡ ከምዝጸንሑ ኣብ ትግራይ ዝርከባ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቓሊሐን። ኣብቲ ዝርርብ፡ እቲ ናይ ተዅሲ ምቁራጽ ስምምዕ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ንኽኣቱ ተባሂሉ እኳ እንተተገበረ፡ እኹል ረድኤት ይኣቱ ዘይምህላውን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ገና ተቛሪጾም ምህላዎምን ዝዝቲ ዛዕባታት ተላዒሉ። መራሒ ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብ ዝተረኽበሉ ኣኼባ እውን \" ከምዚ ኢልና ክንቅጽል ኣይንኽእልን ኢና ። . . . ቅድሚ ውግእን ድሕሪ ውግእን ዕድል ሂብና ኢና። ኩሉ ፖለቲካዊ ሽግር ብሰላምን ዲፕሎማስን ጥራሕ ኣይውዳእን እዩ\" ኢሉ። \"ህዝብና ይጠምን ይመውትን እዩ ዘሎ። ግዜ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ክንነብር ኣይንኽእልን ኢና። ንኹሉ ነገር ተጸሚምና ናብ ዝምልከቶም ኣካላት መልእኽቲ ልኢኽና ኣሎና። ስለዚ ንሕና ወዲእና ኢና\" ኢሉ። ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ሓይልታት ትግራይ ምስ ሰራዊት ኤርትራ ብኸቢድ ብረት ዝተደገፈ ውግእ ከምዘካየዱ ቢቢሲ ጸብጺቡ ነይሩ። ካብዚ ብምብጋስ ከኣ ሓደ ሓደ ምንጭታት ዳግማይ ኵናት ንኸይውላዕ ስክፍተኦም ይገልጹ ኣለው። ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ኣጋጢሙ ዝተባህለ ግጭት ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ጻዕሪ እኳ እንተካየደ ክሳብ ሕጂ ግን ክረጋገጽ ኣይተኻእለን።","category":"ሰብኣዊ መሰላት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61447776"} {"headline":"ንኣስታት 9 ኣዋርሕ ብዘይ ፍርዲ ተኣሲሮም ዝነበሩ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ተጋሩ ተፈቲሖም","content":"ኣብ ክልል ደቡብ ሾኔ ተባሂላ ኣብ እትፍለጥ ከተማ፡ ብሰንኪ መንንቶም ንኣዋርሕ ከምዝተኣስሩ ዝገልጹ፡ ሓራሳትን ጥኑሳትን ዝርከብኦም ኣስታት 1300 ተወለድቲ ትግራይ፡ ትማሊ ተፈቲሖም። ቢቢሲ ትግርኛ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ዝሰርሖ ሰፊሕ ጸብጻብ፡ ኣብ ማእሰርቲ እናሃለዉ ዘዘረረቦም ገለ እሱራት፡ ንልዕሊ 9 ወርሒ ምኽንያት መእሰሪኦም ከምዘይተነግሮምን ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ከምዘይፈልጡን ገሊፆም ነይሮም። ዝበዝሑ ካብ ስዑዲ ተመለስቲ ኮይኖም፡ ናብ ዓዶም ክምለሱ ኣብ ዓፋር ተታሒዞም ናብ ክልል ደቡብ ከምዝተወሰዱ ይገልጹ። ኣይናለም ሓደ ካብ ሞንጎ እቶም ኣብ ክልል ደቡብ ቀፅሪ ዩኒቨርሲቲ ዋቻሞ ከምዝኾነ ዝግለፅ ቦታ ተኣሰሮም ዝጸንሑ ተጋሩ ኮይኑ፡ ትማሊ ተፈቲሑ ሎሚ ሮብዕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ'ሎ። ኣብ ወርሒ ሓምለ ካብ ስዑዲ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተወን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንሓደ ሰሙን ተታሒዞም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ምስ ብጾቱ ንትግራይ ክኸይድ ከምዝተበገሰ ይዛረብ። \"ኣብ ክልል ዓፋር፡ 'ሎግያ' ኣቲና፡ ንሓደ ወርሒ ተኣሲርና፡ ከባቢ መስከረም ናብ ክልል ደቡብ ወሲዶምና\" ብምባል፡ ብዝሖም 1300 ዝኾኑ ምንባሮም'ውን ይጠቅስ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሰርሑን ዝነብሩን ዝነበሩ ተጋሩ'ውን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ምንባሮም ገለ ካብኦም ይዛረቡ። መረሳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይነብርን ይሰርሕን ዝነበረ ሓደ ካብቶም እሱራት ኮይኑ፡ ቤተሰብ ንምብጻሕ ናብ ትግራይ ክኸይድ ከምዝወሰነን ኣብ ክልል ዓፋር ምስ በጽሐ ከምዝተኣስረ ገሊጹ። \"ንሕና ብምንታይ ኢና ተታሒዝና ንብሎም እሞ፡ 'ንሕና መንግስቲ'ዩ ሓዝዎም ኢሉና፡ ገበነኛታት ኣይኾንኩምይ ንጹሃት ምዃንኩም ንፈልጥ ኢና\\፡ ግን እስካብ ዓድኹም መንገዲ ዝኽፈተልኩም ኣብዚ ተቐመጡ' ይብሉና\" ክብል ኣይናኣለም ይዛረብ። ኣተሓሕዝኦም ሕማቕ ከምዝነበረን፡ ብፍላይ ደቂ-ኣንስትዮ 'ሞዴስ' ዘይረኽባሉ ኩነታት ከምዝነበረ ብምጥቃስ፡ ኣብቲ መዳጎኒ ዝወለዳ ከምዘለዋ ኣይንኣለም ጠቒሱ። ኣብቲ ቦታ ብሓለውቲ ተሃሪሞም እግሮም ዝተሰብሩ ከምዘለዉ ድማ ንቢቢሲ ሓቢሮም። ኣብቲ መዳጎኒ ኣስታት 130 ደቂ-ኣንስትዮም ተታሒዘን ምንባረን እቶም ግዳያት ማእሰርቲ ይዛረቡ። እኹል ቀረብ ምግቢ፣ ማይን መድሓኒትን ኣብ ዘይብሉ ብብዝሒ ሰባት ኣብ ዝተጨናነቑ ገዛውቲ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ተኣሲሮም ከምዝፀንሑ እቶም ዘዘራረብናዮም ገሊፆምልና። ሓላፊት ህዝባዊ ርክባት ክልል ደቡብ፡ ወ\/ሮ ሰናይት ሰለሞን ግና፡ እቲ ዝቐረበ ክሲ ብምንጻግ፡ ኣብቲ ክልል በቲ ዝተገለጸ በዝሕን ብምኽንያትን መንንትን ዝተኣሰሩ ሰባት ከምዘይትፈልጥ'ያ ንቢቢሲ ተዛሪባ ነይራ፡፡ ብሰሉስ፡ 17 ኣውቶብሳት ናብቲ ተኣሲሮምሉ ዝነበረ ቦታ መጺኤን ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘግዐዝኦም እቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ተወለድቲ ትግራይ፡ ብዛዕባ እቲ ኹነታት ኣቐዲሙ ዝበጽሖም ሓበሬታ ብዘይምንባሩ ከምዝተሰናበዱ ይዛረቡ። ድሕሪ ምፍትሖም'ውን፡ ኣብ ሓዲግ ወዲቖም ምህላዎምን፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስኣተዉ እቶም ዝበዝሑ ቤተሰቦም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ብምዃኖም ናብ ዝኸድዎን ዘዕርፉሉን ስኢኖም ኣብ ጸገም ከምዝወደቑ ኣይናለምን መረሳን ሓቢሮምና። ኣብታ ከተማ ዝነብሩ ኮኑ ካልኦት ኣብ ደገ ዝነብሩ ግዱሳት ዝኸኣልዎ ሓገዝ ክገብሩሎም ድማ ተማሕጺኖም። -------------- ዓለማዊ ተሓላቒ መሰላት ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስዑድ ዓረብ ኣብ ከቢድ ስቓይ ጸኒሖም ናብ ኢትዮጵያ ዝተመለሱ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ኣሲሩን ብሓይሊ ሰዊሩን ክብል ምኽሳሱ ይዝከር። እቲ ትካል፡ ካብ ምስልታት ሳትላይትን መሰኻኽር ዓይንን ብዝረኸቦ ሓበሬታ፡ ከተማታት ሰመራን ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ሃድያ እትርከብ ከተማ ሾኔን ብዙሓት ካብ ስዑድ ዓረብ ዝተመለሱ ታጋሩ ዝኣሰሩለን ከተማታት ክኾና ከምዝኽእላ ኣስፊሩ ነይሩ፡፡ ብዙሓት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝነብሩ ተጋሩ፡ እቲ ልዕሊ 17 ኣዋርሕ ዘቑጸረ ኲናት ትግራይ ድሕሪ ምውልዑ ግዳያት ማእሰርቲ ክኾኑ ምጽንሖም ይፍለጥ። መንግስቲ ግን፡ ደገፍቲ ህወሓት'ምበር፡ ብመሰረት መንንት ከምዘይኣሰረ እዩ ዝገልጽ። እቲ ቅልውላዉ ኣብ ክልል ትግራይን መዳውቲ ክልላትን ሰፊሕ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ምስዓቡ ይግለጽ። ብፍላይ ኣብታ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዕጽዋ እትርከብ ትግራይ፡ ህዝቢ ከም መግቢ፣ ባንኪ፣ መብራህቲ፣ ሕክምናን ትምህርትን ዝበሉ መሰረታውያን ኣገልግሎታት ተሓሪምዎ፡ ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቑ ምህላዉ ትካላት ረዲኤት ይሕብራ።","category":"ሰብኣዊ መሰላት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61101489"} {"headline":"ብዋሕስ ክፍትሑ ዝተወሰኖም ጋዜጠኛታት ፖሊስ ይግባይ ብምባሉ ከይተፈትሑ ተሪፎም","content":"ቅድሚ ክልተ ሰሙን ብሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጲያ ተታሒዞም ካብ መንጐ ዝተኣሰሩ ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሃን፡ ቤት ፍርዲ እቶም ሰለስተ ብዋሕስ ክፍትሑ ክውስን እንከሎ፣ ንካልኦት ክልተ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝምልከት ነጥቢ፡ ንፖሊስ ተወሳኺ ናይ መርመራ መዓልቲ ፈቒዱ። እቶም ብዋሕስ ክፍትሑ ተፈቒዱሎም ዘሎ ጋዜጠኛታት፡ ማኔጂንግ ዳይሬክተር መጽሄት ፍትህ ተመስገን ደሳለኝ፣ ወናኒ ገበያኑ ሚድያ ሰለሞን ሹምየን ወናኒት ሮሃ ሚድያ መዓዛ መሓመድን እዮም። እንተኾነ፡ ቤት-ፍርዲ መሰል ዋሕስ እኳ እንተፈቐደሎም፡ ፖሊስ ይግባይ ብምባሉ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘይተፈትሑ ጠበቕኦም ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ጠበቓ እዞም ጋዜጠኛታት ኣይተ ሄኖክ ኣክሊሉ፡ “ፖሊስ ኣብ ብይን እቲ ቤት-ፍርዲ ናብ ጠቕላላ ቤት-ፍርዲ ይግባይ ሓቲቱ፣ ዳያኑ ኣብ ሰዓታት ናይ ድሕሪ ሰዓት ስለዘይነበሩ መጋባእያ ይግባይ ነዚ ጉዳይ ኣይረኣዮን” ኢሉ። ጉዳይ እቶም ጋዜጠኛታት ዝከታተል ዘሎ ቀዳማይ ደረጃ ቤት-ፍርዲ ፌደራል ኣራዳ መጋባእያ ኮይኑ፡ እቶም ሰለስተ ጋዜጠኛታት ነፍሲወከፎም ብዓሰርተ ሽሕ ብር ዋሕስ ወጺኦም ጉዳዮም ኣብ ደገ ኮይኖም ክከታተሉ ወሲኑ ነይሩ። ጠበቓታትን ስድራቤትን እቶም እሱራት ድማ፡ እቶም ጋዜጠኛታት ካብ ቤት ማእሰርቲ ንምውጻእ ዘድሊ መስርሕ ንምምላእ ይጓየዩ ነይሮም። እቶም ብዋሕስ ክወፅኡ ዝተበየነሎም ጋዜጠኛ ሰሎሞን ሹሙየ፣ መዓዛ መሓመድን ተመስገን ደሳለኝን ናብ ቤት-ማእሰርቲ ክምለሱ ከምዝተገበረን ፅባሕ ረቡዕ ውሳነ ክወሃብ ትፅቢት ከምዝገብርን ጠበቓ ሄኖክ ሓቢሩ። ብኻልእ ዜና ቀዳማይ ደረጃ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኣራዳ መጋባእያ፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ያየሰው ሽመልስን መስከረም ኣበራን ንዘካይዶ ምርመራ ተወሳኺ ሽዱሽተ መዓልትታት ፈቒዱ ኣሎ። ጠበቓ ጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ ዝኾነ ኣይተ ታደለ ገብረመድህን፡ ጋዜጠኛ ያየሰው ኣብ ዝመፅእ ሰኑይ እንደገና ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐርብ ንቢቢሲ ገሊፁ። ጠበቓ ታደለ፡ ፖሊስ ንጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ \"ሚድያ ብምጥቃም ህውከትን ናዕብን ብምልዓል፣ ሃይማኖታዊ ጎንፂ ብምፍጣርን ህዝቢ ኣብ መንግስቲ እምነት ክስእን ገይርካ ብዝብል እዩ ጠርጢርዎ\" ኢሉ። ብመሰረት ሓድሽ ኣዋጅ በዓልስልጣን ብሮድካስት ኢትዮጵያ፡ በዞም ዝተፀርሑ ጉዳያት ንዝተጠርጠረ ሰብ \"ዓቃቢ ሕጊ ክሲ ይምስርት እምበር፡ ፖሊስ ክምርምር እዩ ዝብል የለን\" ብምባል፡ ጠበቓታት እዚ መሰረት ገይሮም እንተተኻትዑ'ኳ፡ ቤት ፍርዲ ፖሊስ ንዘካይዶ ተወሳኺ ምርመራ ሽድሽተ መዓልቲ ከምዝፈቐደ ሓቢሩ። ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ ይገብሮ ዘሎ ምርመራ ቅድሚ ክልተ ዓመት ንዝተፈፀመ ጉዳይ ከምዝኾነ ዝሓበረ ጠበቓ ታደለ፡ \"ቅድሚ ክልተ ዓመት ኢትዮ ፎረም ኣብ ቴሌቬዥን ትግራይ ኣብ ዝነበሮ መደብ 'ንእገለ ቃለመሕተት ገይርካ ነይርካ' ዝብል እዩ። እዚ ጉዳይ እዚ ድማ ቅድሚ ሕዚ ጋዜጠኛ ያየሰው ተሓቲትሉን ተኣሲርሉን ዝነበረ ጉዳይ እዩ፡ ንምንታይ ከምብሓድሽ ምልዓል ከምዝተደለየ ግልፂ ኣይኮነን\" ኢሉ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ኣስታት 18 ዝኾኑ ጋዜጠኛታትን ሰብሞያ መራኸቢ ብዙሃንን ብሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ዝዝከር እዩ። ፖሊስ ንመብዛሕትኦም፡ ኣብ መንጐ ብሄራትን ሃይማኖታትን ናዕቢ ብምልዕዓል ክሲ ከም ዘቕረበሎም ቤት ፍርዲ ገሊጹ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ካልኦት ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባትን ተሓለቕቲ መሰላትን ጃምላዊ ማእሰርቲ እቶም ሰብሞያ ብምቅዋም መግለጺ ኣውጺአ ነይረን። መንግስቲ ግን እቶም ዝተኣሰሩ ብገበን ዝተጠርጠሩ ውልቀ ሰባት እምበር “ምስ ሞይኦም ብዝተሓሓዝ ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት የለዉን ኢሉ” ነይሩ።","category":"ሰብኣዊ መሰላት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cm5z528jgg9o"} {"headline":"ኲናት ዩክረይን፡ ምሩኻት ኲናት መን'ዮም? ብኸመይ ይትሓዙ?","content":"ወተሃደራት፡ ዋላ'ውን ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኩነታት ውግእ ኮይኖም ኣብ ኢድ እቲ ካልእ ሓይሊ ንከይኣትው ወይ ከይማረኹ ክሳብ ናይ መወዳእታ ሰዓት ይዋግኡ። ንኣብነት፡ ኣብቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ክባ ኣትዮም እንከለው ንካልአይቲ ዓባይ ከተማ እታ ሃገር፡ ማሪዩፖል ዝከላኸሉ ዝነበሩ ወተሃደራት ዝገበሩዎ ቃልሲ ኣብ ታሪኽ ኲናት እታ ሃገር ልዑል ቦታ ከም ዝወሃቦ ይግለጽ። ኣብ ቀረባ ድማ፡ ሰብ መዚ ሩስያ፡ ኣብ ፋብሪካ ሓጺን ኣዞቭስታል ተቐርቂሮም ዝነበሩ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ምሩኻት ወተሃደራት፡ ብሞስኮ ዝድገፉ ዕጡቓት ናብ ዘለውዎም ከባቢታት ከም ዝተወስዱ ገሊጾም ነይሮም። እዞም ምሩኻት፡ ብዓለምለኻዊ ኣገባብ ክትሓዙ'ዮም ምባላ፡ እቶም ዝተሓላለኹ ሕግታት ኣተኣላልያ ናይ'ቶም ኣብ እዋን ግጭት ኢዶም ዝሃቡ ወይ ዝተማረኹ ተዋጋእቲ ጎሊሖም ክርኣዩ ገይሩ ኣሎ። ካብ ምጅማር ወራር ሩስያ ኣትሒዙ፡ ክልቲአን ሃገራት ብዘይግቡእ ኣተሓሕዛ ምሩኻት ክካሰሳ ጸኒሐን እየን። ኣብ ዩክረይን ሓላፊት ልኡኽ ምቁጽጻር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ማቲልዳ ቦንገር፡ ክልቲአን ሃገራት ጥሕሰታት ከም ዝፈጸማ ዝሕብሩ \"እሙናት ሓበሬታታት\" ኣለው ክትብል ተዛሪባ ነይራ። እወ፣ ምሩኻት ብመሰረት ካብ 1929 ጀሚሩ ኣብ ሳልሳይ ውዕሊ ጀኔቫ ዝጸደቐ ዓለምለኻዊ ስምምዓት እዮም ዝትሓዙ። እዚ፡ ንሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ምሩኻት፣ ብዛዕብኦም ሓበሬታ ምልውዋጥን ሰብ መዚ ዘይሻራውያን ሃገራት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክበጽሑዎም ምፍቃድን ዝብሉ መትከላት ኣለውዎ። ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ብዙሓት ሃገራት ሕግታት ብምጥሓስ ክኽሰሳ ምስ ጀመራ፡ እቲ ስምምዕ ብ1949 ክሰፍሕ ተገይሩ። ንኣብነት፡ \"ውልቃዊ ክብሪ ምሩኻት ምሕላው\" ዝብል መትከል ተወሲኹ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝብሎ፡ እዚ ውዕሊ ሩስያን ዩክረይንን ሓዊሱ 196 ሃገራት ፈሪመናሉ'የን። እቲ ዝርዝር ብዙሕ'ዩ። ሕክምናዊ ሓገዝን መግብን ክረኽቡ ኣለዎም ካብ ዝብል ጀሚሩ ክሳብ ስቅያት ወይ ብዝበዛ እሱራት ምኽልካል ዝርከቡዎም ዝርዝራት ይሓቁፍ። ሃገራት፡ እቲ ማእሰርቲ ከም መቅጻዕቲ ዘይኮነ እቶም ምሩኻት ኣብ ካልእ ጎንጺ ንከይሳተፉ ብዘኽእል መገዲ ዝሕዛሉ ክኸውን ከም ዘለዎ እቲ ስምምዕ ይድንግግ። ነዚ'ዩ፡ እቶም ምሩኻት \"ምፍርራሕ፣ ጸርፍን መንነቶም ንህዝቢ ምቅላዕን\" ንከይበጽሖም ምክልኻል ክግበረሎም ከም ዘለዎ ዝሕብር። ካብዚ ብዝብገስ፡ ሰብ መዚ ሩስያን ዩክረይንን ምስሊ ምሩኻት ብቴሌቪዥን ክታሓላለፍ ብምግባሮም ገሊኦም ድማ ጋዜጣዊ መግለጺ ክህቡ ብምግባሮም ተነቒፎም። ስምምዕ ጀኔቫ ከም ዝብሎ፡ ሙሩኻት ኣብ ጐንጺታት ስለ ዝተሳተፉ ጥራይ ክኽሰሱ የብሎምን ይብል- እቲ ሕጊ ገበናት ኲናት ዝፈጸሙ ምሩኻት ክኽሰሱ ከም ዘለዎም ዘፍቅድ እንተኾነ'ውን። ብተወሳኺ፡ ተጻብኦታት ምስ ኣብቅዑ እቶም ምሩኻት \"ብዘይ ዝኾነ ምዝንጋዕ\" ክምለሱ ከም ዘለዎም ይድንግግ። ውዕሊ ጀኔቫ ከም ዝብሎ፡ ምሩኻት ኣባላት ሰራዊት ጥራይ ዘይኮኑ፡ ኣባላት ሚሊሻን ኣብቲ ሰራዊት ተሳተፍፎ ውግእ ዘይብሎም ሲቪላውያንን ከም ዘጠቓልል ይጠቅስ። ዕሱባት ወተሃደራት፡ ብሓደ ሓደ ኩነታት - ሰለልቲ ስለ ዝብሃሉ- ብዝተፈለየ መገዲ ይርኣዩ። ሰለልቲ ተባሂሎም ዝተኣሰሩ ሰባት እውን እንተኾኑ \"ብሰብኣውነት ክትሓዙ\" ከም ዘለዎምን ፍትሓዊ መስርሕ ፍርዲ ናይ ምርካብ መሰሎም ክሕሎ ከም ዘለዎን እቲ ውዕሊ የረድእ። ምልውዋጥ እሱራት፡ ኣብ ሞንጎ ተጻባእቲ ሓይልታት ዝግበር ስምምዕ ምልውዋጥ ዝሓዙዎም ሰባት'ዩ። እዚ ኣብ እዋን ኲናት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብቶም ናይ ዝሑል ኲናት ዓመታት'ውን ዝህሉ እዩ። ንኣብነት፡ ኣመሪካን ሕብረት ሶቭየትን- ከምዚኦም ዝበሉ ብዙሓት ስምምዓት ገይረን እየን። ብተወሳኺ ኣብ እዋን ጎንጺ እስራኤልን ፍልስጤምን'ውን ተመሳሳሊ ፍጻመ ነይሩ። እዚ ብውዕሊ ጀኔቫ ዝምራሕ እንተኾነ'ውን እቲ ልምዲ ግን ዝጸንሐ'ዩ። ምልውዋጥ እሱራት፡ ቅድም ኣብ መበል 18 ክፍለ ዘመን ከም ዝጀመረ ይንገር። ኣብዚ ናይ ሕጂ ውግእ ሩስያን ዩክረይንን'ውን፡ ክልቲአን ሃገራት ምልውዋጥ ምሩኻት ከም ዝገበራ ዝሕብሩ ብዙሓት ዝተረጋገጹ ሓበሬታታት ኣለው፤ እንተኾነ ባይቶ ሩስያ ከምዚኦም ዝበሉ ተመሳሰልቲ ስምምዓት ንምእጋድ ይዝቲ'ዩ ዘሎ። ኣይፋል። ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለጸ ድማ፡ ውዕሊ ጀኔቫ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ንዝተፈጸሙ ግፍዕታት ስዒቡ ዝሰፍሐ እዩ። ኣብቲ ግዜ፡ ጃፓን ንብዙሓት ምሩኻት ክትብዝብ እንከላ፡ ዓሰርታት ኣሽሓት ብጥምየትን ሕማምን ከም ዝሞቱ ይግለጽ። ኣብ ቀረባ፡ ኣብ እዋን ኲናታት ዩጎዝላቪያ -1991 ክሳብ 2001 ብዙሓት ክስታት ዘይግቡእ ኣተሓሕዛ ምሩኻት ከም ዝነበሩ ይቐርቡ ነይሮም። ብ2009፡ ክሮኤሽያ-ሰርቢያዊ ወተሃደር ነበር፡ 200 ምሩኻት ብምስቓይን ብምቕታልን ን20 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱዎ'ዩ። ኣመሪካን ሰሜን ቬትናምን'ውን ኣብ እዋን ኲናት ቬትናም (1965 ክሳብ 1975) ኣብ ልዕሊ ምሩኻት ገበናት ብምፍጻም ይኽሰሳ። ሓደ ካብቶም ግዳያት፡ ሴናተር ነበርን ድሓር ድማ ሕጹይ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ዝኾነ ጆን ማኬይን፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ እዋን ማእሰርቲ እናሃለወ ዝበጽሖ ግህሰት ስንክልና ኣጋጢሙዎ'ዩ። ኣመሪካ'ውን፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ መስከረም 9\/11 ኣብ ኲባ ኣብ ዝሃነጸቶ ቤት ማእሰርቲ ጓንታናሞ ቤይ ጥርጡራት ግብረ ሽበራ ኢላ ንዝኣሰረቶም ብምስቓይ ትኽሰስ። ብ17 ግንቦት፡ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበኛታት (ICC)፡ ወራር ሩስያ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ንዝቐርቡ ዘለው ክስታት ገበን ኲናት ዘጻርዩ 42 ኣባላት ዘለውዎ ጉጅለ መርመርቲ፣ ክኢላታት ፎረንሲክን ሓገዝትን ናብ ዩክረይን ከም ዝሰድድ ወግዓዊ ገይሩ ነይሩ።","category":"ሰብኣዊ መሰላት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61547535"} {"headline":"ዜና ዕረፍቲ፡ 3ይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዓሪፎም","content":"ንዓመታት ኣብ ማሕዩር ዝነበሩ 3ይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ መበል 94 ዓመቶም ከምዝዓረፉ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ሰዓብቶም ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም። ኣባል ሃገረ-ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ዝኾኑ ሊቀ-ክህናት ገብረሚካኤል ዮውሃንስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ሎሚ ንጉሆ ከምዝዓረፉ ገሊጾም። ሬሳ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ ናብቲ ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ሰፍኣ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ዝርከብ 'ገዳም ኣባ-እንድርያስ' ከምዝተወስደ ሓበሬታ ከዝበጽሖም'ውን ሊቀ-ካህናት ገብረሚካኤል ጠቒሶም። ኣብ ብሪጣንያ ዝርከቡ ተኸታሊ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝኾኑ ኣባ ዮሃንስ ገብረሂወት ብወገኖም፡ ንዜና ዕረፍቲ ናይቶም መበል 3ይ ፓትሪያርክ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም። \"ቅዱስ እንጠንዮስ፡ ንልዕሊ 16 ዓመት ኣብ መሓዩር ድሕሪ ምጽናሕ፡ ነቲ ዝኣመንዎ ጎይታን ነታ ዝመሓሉላ ቤተ-ክርስቲያንን ክብሉ ብሰማእትነት ኣብ መሓዩር እንከለዉ ዓሪፎም\" ክብሉ ኣባ ዮሃንስ ተዛሪቦም። ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ 2006 ንፈለማ እዋን ካብ መዝነቶም ክወርዱ ድሕሪ ምግዳዶም፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ተታሒዞም ምንባሮም ይግለጽ። ንዕኦም ተኪኦም 4ይ ፓትሪያርክ ኮይኖም ዝተመርጹ፡ ኣቡነ ድዮስቆሮስ ኣብ ታሕሳስ 2015 ካብ ዝሞቱ ንድሓር፡ እታ ቤተክርስትያን በዘይ ፓትርያርክ ንሓያሎ ዓመታት ጸኒሓ። ኣብ ሓምለ 2019 ግን ሲኖዶስ ናይታ ቤተ-ክርስትያን ምስ \"ጉጅለ መናፍቓን\" ወጊኖም ብምባል፡ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ መዝነቶም ከም ዘውረዶምን፡ ካብታ ቤተ-ክርስትያን ከም ዝወገዞምን ብወግዒ ኣፍሊጡ። ኣቡነ ኣንጦንዮስ ግን እቲ ዝቐረበሎም ክሲ \"ሓሶት\" ምዃኑ ብድሕሪ'ቲ ውሳነ ብቪድዮ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ነጺጎሞ ነይሮም። ኣብ ደገ ዝርከቡ ብኣቡነ መቃርዮስ ዝምርሑ ሰዓብቲ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ግን፡ እቲ ሲኖዶስ ንፓትሪያርክ ከውርዱ ኮነ ኣብ ርእሲኡ ካልእ ፓትሪያርክ ክሸሞ ሕጋውን መንፈሳውን ሓላፍነት የብሉን ብምባል ተቓውሞኦም ከስምዑ ጸኒሐ'ምዮም። ኣቦነ መቃርዮስ ኣብ ጥቅምቲ 2021 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መሕትት ከምዝበልዎ፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ንምትእትታው መንግስቲ ኣብ ጉዳያት ናይታ ቤተ-ክርስትያን ብምቅዋሞም ነቲ መከራ ከምዝተቓልዑ'ዮም ዝኸሱ። ሰብመዚ መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ዝቐረብ ክስታት ክነጽግዎ ጸኒሖም'ዮም።","category":"ሰብኣዊ መሰላት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60324656"} {"headline":"ኤች-ኣር 6600'፡ ኲናት ደው ዘብል ዶ ወይስ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ዝጎድእ ሕጊ?","content":"ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ፡ ምምሕዳር ጆ ባይደን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ምስቲ ኲናት ተተሓሒዙ ተሓተትቲ እዮም ኣብ ዝበሃሉ ውልቀ ሰባት ማዕቀብ ክገብር ዘኽእል ረቒቕ ሕጊ ኣውጺኦም እዮም፡፡ እቲ ረቒቕ ሕጊ ተግባራዊ እንተኾይኑ ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ተገዲዶም እውን እንተኾነ ናብ ድርድር ክመጹ እዮም ዝብሉ ኣለዉ፡፡ ብኣንጻሩ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነቲ ረቒቕ እንድሕር ኣጽዲቕዎ ፡ ተራ ዜጋ ሰሪሑ ከይኣቱን በሊዑ ከይሓድርን ዝገብር ጸቕጢ ከሕድር እዩ ኢሎም ዝኣምኑ እውን ኣለዉ፡፡ ፕረዚደንት ባይደን ነቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብትሪ ዝቃወመኦ ዘለዋ ረቒቕ ሕጊ እንተዳኣ አጽዲቕዎ፡ ኣመሪካ ኣብ ናይ ክልቲአን ሃገራት ናይ ድሕነት፣ ፋይናንስ (ኢንቨስትመንት)ን ጉዳያት ኢሚግሬሽንን ሓድሽ ማዕቀብ ክተንብር እያ፡፡ እቲ ‘ ሕጊ ህድኣት፣ ሰላምን ዲሞክራስን ኢትዮጵያ’ ብዝብል ርእሲ ዝቐረበ ረቒቕ ሕጊ፡ እቲ ኣመሪካ ንትካላት ድሕነትን ጸጥታን ኢትዮጵያን ኤርትራን እትገብሮ ሓገዝ ክድረት ዝገብር እዩ፡፡ እቲ ረቒቕ እንተጸዲቑ፡ ኣመሪካ ተሰማዕነታን ድምጺ ናይ ምሃብ መሰላን ተጠቒማ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓገዝ ወይ ልቓሕ ከይወሃበን ከምኡ እውን ናይ ልቓሕ መኽፈሊ እዋን ናይ ምንዋሕ ዕድልን ቴክኒካዊ ሓገዛትን ከይረኽባ ክትሰርሕ ዝሓትት እዩ፡፡ እዞም ዝተጠቐሱ ጥራሕ እንተይኮነስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምርግጋእን ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ከይህሉ ምኽንያት ኮይኖም ዝበሃሉ ውልቀ ሰባት እውን ናይ ንብረትን ቪዛን እገዳ ክግበረሎም እዩ፡፡ ብርሃኑ ታፈሰ (ዶ\/ር) እዚ ረቒቕ ንሃገር ሓደገኛ ስለዝኾነ ሕጊ ኮይኑ ክወጽእ የብሉን እዩ ዝብል፡፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝነብር ብርሃኑ (ዶ\/ር) ፡ ናይቲ ኤችኣር 6600 ብደረጃ ሃገር ዘስቦ ጉድኣት ኣመልኪቱ ሓበሬታ ዝህብ ጌትፋክት ኣባል እዩ፡፡ ጌትፋክት መበገሲ ምኽንያት ኲናት ትግራይ ህወሓት እዩ ኢሉ እዩ ዝኣምን፡፡ ዋላኳ ኣርእስቲ ናይቲ ረቒቕ ሕጊ ‘ምስፋን ሰላምን ምህናጽ ዲሞክራስን’ ዝብል እንተኾነ ‘‘ጠቕላላ ትሕትኡ ግን ካብዚ ዝተፈለየ እዩ’’ ክብል ብርሃኑ ታፈሰ (ዶ\/ር) ይምጉት፡፡ ‘‘ብሓፈሻ ንኢትዮጵያውያን ዝጎድእ ረቒቕ ሕጊ ስለዝኾነ ክጸድቕ የብሉን’’ ይብል፡፡ እዚ ረቒቕ ሕጊ ‘‘ብሱሩ እውን ደንጉዩ እዩ’’ ሕጊ ኮይኑ እውን ክወጽእ ኣለዎ እትብል ድማ መዓዛ ግደይ እያ፡፡ ተመራማሪትን ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላትን መዓዛ ግደይ ምስ ኦምና ትግራይ እያ እትሰርሕ፤ ኦምና ምጅማር ኲናት ትግራይ ስዒቡ ዝተመስረተ ትካል እዩ፡፡ ኣብዚ ኲናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ‘‘ገበን ዘርኢ ምጽናት’’ ተፈጺሙ እዩ ኢሉ ዝኣምን ኦምና፡ ኣብ ምምኻርን ቁጠባዊ ህንጸትን ተጋሩ እዩ ዝሰርሕ፡፡ ‘‘እቲ ረቒቕ ሕጊ ብሱሩ ደንጉዩ እዩ፡፡ እቲ ኲናት ደው ክብል፣ መንግስቲ ፌደራልን መላፍንቱን ዝፍጽመዎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ደው ከብሉን እዚ ሕጊ ከገድዶም እዩ’’ ትብል መዓዛ፡፡ ብርሃኑ ታፈሰ (ዶ\/ር) እቲ ረቒቕ ሕጊ ነቲ ኲናት ደው ናይ ምባል ዕላማ ዘዐውት ኣይኮነን ይብል፡፡ ‘‘ኣብ ቁጠባ ኢትዮጵያ ማዕቀብ ምግባር ሰላም ከምጽእ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ዘይኸውን እዩ፡፡ እቲ ጸገም ካልእ እዩ፤ መፍትሒ ኢሎም ዘቕረብዎ ድማ ካልእ’’ ይብል፡፡ ንኣብነት ይብል ብርሃኑ (ዶ\/ር) ‘‘እቲ ረቒቕ ሕጊ ኢትዮጵያ ብመዳይ ድሕነት ምስ ኣመሪካ ኣብ ዘለዋ ምትእስሳር ክልከላ ዝገብር እዩ፡፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ብዙሕ ስግኣታት ድሕነት ዘለዎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም ናይ ምኽባር ተራ እናተጻወተት ዝጸንሐት ሃገር እያ፡፡ እዚ ሓገዝ ተቛሪጹ ማለት፡ እቲ ዞባ ሰላም ክስእን እዩ ዝገብር’’ ይብል፡፡ እቲ ረቒቕ ኣዋጅ ኢትዮጵያ ህንጸት መሰረተ ልምዓት ከይተሳልጥ ዝኽልክል እንተኾይኑ እቲ ተጎዳኢ ተራ ዜጋ እምበር መንግስቲ ኣይኮነን ክብል የምጉት፡፡ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ኣብ ፖሊሲኣ ለውጢ ብምግባር ኩባንያታት ወጻኢ ብዝተፈላለዩ ዘፈራት ናብ ዕዳጋኣ ክኣትዉ ምፍቃዳ ብምዝኽኻር፡ እቲ ረቒቕ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘንብሮ ናይ ኢንቨስትመንት ገደብ ኣብታ ሃገር ናይ ነዊሕ እዋን ጉድኣት ዘብጽሕ እዩ ይብል ብርሃኑ (ዶ\/ር)፡፡ ‘ኣብ ኣመሪካ እንነብር ንመንግስቲ ትሕግዙ ኣለኹም ብምባል ንኢትዮጵያ ሓገዝ ከይንገብር ዝኽልክል ሕጊ እዩ፡፡ ኢሚግሬሽን ብዝምከት እውን፡ ኣብ ናይ ኢትዮጵያውያን ካብ ሃገር ናይ ምውጻእ መሰል ኣሉታዊ ጸቕጢ ኣለዎ’ ክብል እውን ይውስኽ፡፡ መዓዛ ብወገና፡ እቲ ረቒቕ ሕጊ ኣብታ ሃገር ጉድኣት ዘስዕብ ዘይኮነስ ኣብ ‘‘ውልቀ መላኽን ብከቢድ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝሕተት መንግስትን እዩ’’ ትብል፡፡ ‘‘ንሃገር ዝሓስብን ዝጭነቕን፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ግፍዒ ክፍጸም ኣይፈቅድን፡፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኣሉታዊ ጸቕጢ ዝፈጽር ዘሎ ናይ መንግስቲ ፖሊሲ እምበር እቲ ኲናት ደው ክብል ዘገድድ ናይ ወጻኢ ሃገር ሕጊ ኣይኮነን’’ ክትብል እውን ትውስኽ፡፡ ብተወሳኺ ‘‘ዝርዝር እቲ ሕጊ ዝምልከት፡ ቀንዲ ትኹረቱ ኣብ መንግስትን ምስቲ ኲናት ተተሓሒዙ ብዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ዝሕተቱ ውልቀ ሰባትን እዩ፡፡ ስለዚ እቲ ረቒቕ ሕጊ ኣብታ ሃገር ካብ ዘስዕቦ ጉድኣት ብዝበለጸ ንመንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን እዩ ተሓተትቲ ዝገብር’’ ትብል፡፡ ‘‘ኢትዮጵያ እትረኽቦ ዘላ ልቓሕን ሓገዝን ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት መፈጸሚ እዩ ዝውዕል ዘሎ’’ እትብል መዓዛ፡ እቲ ኲናት ደው ክሳብ ዘይበለ እቲ ሕጊ ኢትዮጵያ ልቓሕን ሓገዝን ከይትረክብ ምኽልካሉ ግቡእ እዩ ትብል፡፡ ‘‘ሰላም ዝደሊ መንግስቲ እንተኾይኑ ሰላም ዘምጽኡ ኣማራጺታት ክወስድ ኣለዎ፡፡ ናይ ሰላም ሻምፒዮና እየ ዝብል መንግስቲ ሚልዮናት የጥሚ እዩ ዘሎ፡፡ . . . ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ጉድኣት የብጽሕ ኣሎ፡፡ እዚ ረቒቕ ሕጊ ንሃገር ዘይኮነስ ነቶም ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፈጸሙ እዩ ዝድድእ፡፡’’ መንግስቲ በይናዊ ደው ምባል ተኹሲ ኣዊጁ ካብ ትግራይ ምውጽኡን ኣብ ቀረባ እዋን መራሕቲ ህወሓት ነበር ሓዊሱ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምፍትሑን ዘዘኻኽር ብርሃኑ (ዶ\/ር)፡ እቲ ረቒቕ፡ ሕጊ ኮይኑ እንተጸዲቑ ናይ መንግስቲ ናይ ሰላም ጻዕሪ ዘበርዕን እዩ ክብል የምጉት፡፡ መዓዛ ግደይ ግን ነዚ መከራኸሪ ኣይትቕበሎን፡፡ ‘‘ሕጂ እውን በቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንበሮ ወግዓዊ ዘይኮነ ዕጽዋ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይበጽሕ ገይሩ እዩ፡፡ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ሓካይም መድሃኒት ስኢኖም ሰባት እናሞቱ፤ ንህዘቢ ትግራይ ኮነ ኢሎም አናጥመዩ እናሃለዉ፡ ከመይ ጌርና ብዛዕባ ሰላም ወይ ጎንጺ ብሰላማዊ መገዲ ምፍታሕ ክንዘራረብ ንኽእል?’’ ብምባል ትሓትት፡፡ መዓዛ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘሎ ዕግታ ከይተልዓለ፡ ደጋዊ ሓይልታት ካብ ዝሓዝዎ ከባቢ እንተይወጹ ብዛዕባ ሰላም ምዝራብ ዝከኣል ኣይመስለንን ትብል፡፡ መዓዛ ግደይ፡ እቲ ረቒቕ፡ ሕጊ ኮይኑ ብመንግስቲ ኣመሪካ ክጸድቕ ዝኸኣልዎ ከምዝገብሩ እያ እትገልጽ፡፡ ‘‘ነቲ ኲናት ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዝተፈጸሙ ጥሕሰታት መሰል፣ ዓሌት ተኮር ማእሰርቲታትን ባዕልቶም ይዛረቡ እዮም፡፡ እንተኾነ ንሕና እውን ስቓይ ህዝብና ክስማዕ ዝኸኣልናዮ ንገብር ኣለና፡፡ ኣብ ዳያስፖራ ዝርከቡ ተጋሩ ናይ ምምኻር ስራሕቲ ይሰርሑ ኣለዉ፡፡ ንሕና እውን ኣብ መላእ ኣመሪካ ምስ ዝርከቡ ሓገግቲ ንዘራረብ ኣለና’’ ትብል፡፡ ብኻልእ ወገን እቲ ረቒቕ ከይጸድቕ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ይስርሑ ከምዘለዉ ብርሃኑ (ዶ\/ር) ይገልጽ፡፡ ንሱ እቲ ረቒቕ ኣብዚ ደረጃ ዝበጸሐሉ መንገዲ እውን ካብቲ ልሙድ ኣካይዳ ዝተፈለየ ከምዝኾነ ይሕብር፡፡ ብተወሳኺ እቲ ሕጊ ከይጸድቕ ፊርማ ብምትእኽሓብ፣ ንኣባላት ባይቶ ብምዝራብን ደብዳበታት ብምጽሓፍን ምንቅስቓስ ይግበር ከምዘሎ ሓቢሩ፡፡","category":"ሰብኣዊ መሰላት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60733347"} {"headline":"ማውሪታንያ፡ ኣብ ዓለም ድሕሪ ኩለን ሃገራት ባርነት ዝኣገደት ሃገር","content":"ሎምቅነ፡ ልዕሊ 1000 ኣንጻር ባርነት ዝነጥፉ ተሓለቕቲ ኣብ ምዕራባዊት ሃገረ ማውሪታንያ ዋዕላ የካይዱ ኣለዉ። ኣብዛ እንነብረላ ዘለና ምዕብልቲ ተባሂላ እትግለጽ ዓለም፡ ኣስታት 40 ሚልዮን ሰባት ኣብ ዘመናዊ ጊልያነት ተቖሪኖም ከምዘለዉ ይግመት። ሓደ ካብ ኣርባዕተ ናይዞም ግዳያት ቆልዑ ኮይኖም፡ ዳርጋ ሰለስተ-ርብዒ (71 ሚእታዊት) ድማ ደቂ-ኣንስትዮን ንኣሽቱ ኣዋልድን እየን። ስለዚ ድማ'ዮም እዞም ትጉሃት ተጣበቕቲን ጎስጎስትን እዚ ሕሱም ባርነት ከብቅዕን ግዳያቱ ሓራ ክወጹን ኣብ ርእሰከተማ ናውክቾት ሰፊሕ ዋዕላ ዘካይዱ ዘለዉ።ምስዚ ብዝተኣሳሰር ኣቓልቦ ስሒቡ ዘሎ ግን እቲ ጉዳይ ኣገዳሲ ዛዕባ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ቦታ ኣኼባ'ውን እዩ። ማውሪታንያ፡ ሓንቲ ካብተን ጥንታውን ዘመናውን ባርነት ዝራኣየላ ሃገር ምዃና ጸብጻባት ይገልጹ። ብወግዒ'ውን፡ ባርነት ኣብታ ሃገር ኣብ 1981 እዩ ተኣጊዱ። በዚ ድማ ኣብ ዓለም ጊልያነት ዝኣገደት ናይ መወዳእታ ሃገር ተባሂላ ትጥቀስ። ይኹን እምበር፡ ባርነት ኣብ ሕብረተሰብ ማውሪታንያ ሱር ዝሰደደ ብምንባሩ፡ ጊልያነት ክሳብ ሕጂ ኣየብቅዐን፡ እኹል ድፊኢት ዝገብረሉ ኣይረኸበን። ብሰንኩ ድማ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸራ ደቂ-ኣንስትዮን ቆልዑን ተወለድቲ ብሄረ 'ሓራቲን' ምስ ጊልያነት ኣብ ዝዳረግ ኩነታት ኣብ ትሕቲ ስድራቤታት ዓረብ-በርበር ተቖሪነን ይነብራ። እቲ ጉዳይ ብዓይኒ ፖለቲካ ይኹን ሕብረተሰብ ኣዝዩ ተነቃፊ ስለ ዝኾነ ብቐሊሉ ዘይልዓል ኣርእስቲ ኮይኑ'ዩ ጸኒሑ። ኣብ ዘመነ ስልጣን ዝሓለፉ መንግስታት እታ ሃገር፡ ኣንጻር ባርነት ዝጉስጉሱ ተሓለቕቲ ዝያዳ ናይቶም ወነንቲ ባሮት ይእሰሩ ነይሮም። ቅድሚ ሕጂ ተሰሚዑ ብዘይፈልጥ ግን፡ ኮሚሽነር ሰባዊ መሰላት ማውሪታንያ ንተሳተፍቲ ዋዕላ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ሰብመዚ እታ ሃገር ነቲ ልምዲ ንምውጋድ ቀዋሚ ቀዳምነት ገይሮም ይሰርሕሉ ከም ዘለዉ ተዛሪቡ። ሼክ ኣሕመዱ ኦለድ ሲዲ ከም ዝበሎ፡ መንግስቲ ባርነትን ኣድልዎን ንምጥፋእ ቆሪጹ ተላዒሉ ኣሎ።","category":"ሰብኣዊ መሰላት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60783484"} {"headline":"ኩዌት ሓንቲ ኢትዮጵያዊት ትርከቦም 7 ሰባት ብማሕነቕቲ ቀፂዓ","content":"ኩዌት ንምሕፅንታ ዓለምለኻውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዕሽሽ ብምባል ሎሚ 7 ሕዳር 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ንሸውዓተ እሱራት ብማሕነቕቲ ቀፂዓ። ካብዚኦም፡ ሓንቲ ኢትዮጵያዊት እትርከቦም ኮይና ካልእ ጓል ኣንስተይቲ እውን ከምዘላ ተሓቢሩ። ኩዌት ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ንፈለማ እዋን ናይ ሞት ፍርዲ ግብራዊ ከምዝገበረት ይግለጽ። ዓቃቢ ሕጊ ከምዝሓበሮ፡ እቶም ንሞት ዝተፈርዱ ሰባት፡ ኢትዮጵያዊትን ካልእ ዜጋ ኩዌት ዝኾነትን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም፡ ሓደ ሶርያዊን ሓደ ፓኪስታናውን ምስ ካልኦት ዜጋታት ኩዌት እዮም። እዞም እሱራት ብቕትለትን ካልእ ገበናትን ከም ዝተኸሰሱ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኩና ምፅብፃቡ ወኪል ዜና ኣሶሺየትድ ፕረስ (ኤፒ) ገሊፁ። እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ኣብ ማእከላይ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተፈጸመ እቲ ወኪል ዜና ወሲኹ ሓቢሩ። ተጣባቒ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብ6 ሕዳር 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ብኣማኻሪ ዓቃቢ ሕጊ እታ ሃገር መሓመድ ኣል ዱጊ ብ5 ሕዳር 2015 ወግዓዊ ከምዝተገበረ ኣዘኻኺሩ። መሓመድ ኣል ዱጊ ሽዑ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ እቶም 7 ውልቀሰባት ብቕትለት ዝተፈርዱ ምዃኖም ብምሕባር፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ግብራዊ ከምዝኸውን ኣፍሊጡ ነይሩ። እቲ ኣማኻሪ ዓቓቢ ሕጊ፡ ከምዚ ዝበለ ናይ ሞት ፍርዲ ምእዋጅ \"ከምዚ ዝበለ ገበናት ንምክልኻል ከምኡ’ውን ንዝተፈጸመ ጥፍኣት መቕፅዕቲ እዩ\" ክብል ንዓንቀፃት ቁርኣን ምጥቃሱ ኣመነስቲ ኣመልኪቱ። ኣምነስቲ፡ እዚ ናይ ሞት ፍርዲ ኣብ ግብሪ ንኸይውዕል ሓቲቱ ነይሩ። “ሰበስልጣን ኩዌት ነዚ ናይ ሞት ፍርዲ ብቕልጡፍ ደው ከብልዎ ኣለዎም። ናይ ሞት መቕጻዕቲ፡ መሰል ምንባር ዝግህስ ሕሱም፣ ኢሰብኣውን ዘስካሕክሕን መቕጻዕቲ እዩ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝተፈጸመ ዓይነት ገበን ብዘየገድስ ናይ ሞት ፍርዲ ተፈፃምነት ይቃወም\" ክትብል ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ምክትል ዞባዊ ዳይረክተር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣምና ጉለሊ ገሊጻ። ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ናይ ሞት ፍርዲ ብምንቃፍ፡ \"ኩዌት እትፍፅሞ ናይ ሞት ፍርዲ ምሉእ ብምሉእ ክተቋርፅ እቲ ሕብረት ይጽውዕ። እዚ መቕጻዕቲ ጭካነ ዝተመልኦን ኢሰብኣውን እዩ\" ክብል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። ኣብ ኩዌት ዝፍጸም ናይ ሞት ፍርዲ መብዛሕትኡ ግዜ ብማሕነቕቲ ኮይኑ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ብዓለምቲ\/ተኮስቲ ይፍጸም። እታ ሃገር ቅድሚ ሎሚ ኣብ 2017 ናይ ሞት ፍርዲ ቅድሚ ተፈጻሚ ምግባራ ይዝከር። ኣብቲ እዋን ሓደ ኣባል ንጉሳዊ ስድራቤት ዝርከቦም 7 እሱራት ብጃምላዊ ቅትለት ተቐፂዖም። ኩዌት ካብ 1960ታት ጀሚራ ኣስታት 80 ሰባት ብሞት ክትቐፅዕ ከላ፡ መብዛሕቲኦም ግዳያት መቕፃዕቲ ድማ ብቕትለትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስን ዝኽሰሱ እዮም።","category":"መሰላት ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c9rlywz0943o"} {"headline":"ደቀ'ንስትዮ ክህነት ክቕበላ ይኽእላዶ?","content":"ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ደቀ'ንስትዮ ካህናት ክንከውን ኣለና ዝብል ምንቅስቓስ ካብ ዝጅምራ ጸኒሐን እየን። እንተኾነ እታ ቤተ ክርስትያን ንሕቶ ቅሽና ደቀ'ንስትዮ ቅቡል ኣይገበረቶን። ገሊአን ደቀ'ንስትዮ ኣመንቲ ግን ዋላ'ኳ እታ ቤተ ክርስትያን ኣይተፍቅደለን ብኢደ ወነን ካህናት ክኾና ጀሚረን ኣለዋ።","category":"መሰላት ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c041yl3d8xxo"} {"headline":"ሰሙን ምሉእ ዝሽቅላ ሰራሕተኛታት ገዛ ወጽዓአን ንፈልጠለን ዶ?","content":"ምስ ግላዲስ (ናይ ብሓቂ ስማ ኣይኰነን) ምሸት ምሸት፡ ኣብ ቐጠር ዝርከቡ ኣስራሕታ ምስ ደቀሱ፡ ርክብ እገብር። ኣብቲ ዝገበርናዮ ሓጺር ናይ ኢንተርነት ዕላል፡ መዓልታዊ ካብ ሰዓት 8 ንግሆ ክሳብ ሰዓት 11 ምሸት (ን15 ሰዓታት) ከም እትሰርሕ ነጊራትኒ። ንሳ ተጽሪ፡ መግቢ ኣብ ምድላው ትሕግዝን ንህጻናት ትኣልን’ያ። ካብቶም ስድራቤት ዝተረፈ መግቢ ድማ ትበልዕ። ንሳ፡ ስርሓ ቅድሚ 18 ኣዋርሕ ካብ እትጅምር ኣትሒዙ መዓልቲ ዕረፍቲ ከምዘይረኸበት ትዛረብ። እታ እተስርሓ ሰበይቲ \"ጽልልቲ እያ\" ትብል እታ ኣብ 40ታት ዕድመ እትርከብ ፊሊፒናዊት ግላዲስ። \"መዓልታዊ እያ ትጭድርለይ።\" ቐጠር ዋንጫ ዓለም 2022 ንምእንጋድ ቅድሚ ምዕዋታ፡ ወጻእተኛ ሰራሕተኛታት ብዘይ ፍቓድ ኣስራሒኦም ስራሕ ክቕይሩ ወይ ካብታ ሃገር ክወጹ ኣይክእሉን ነይሮም። ሕጂ'ውን ኣብ መብዛሕትአን ግዝኣታት ወሽመጥ ኣይክእሉን እዮም። ኣብ ትሕቲ ክትትል ድሕሪ ምእታዋ፡ ቐጠር ምምሕያሻት ከተተኣታቱ ጀሚራ። እንተዀነ እቶም ምምሕያሻት፡ ኣብተን ሰራሕተኛታት ገዛ ዝፍጸም ግህሰት ከብቅዕ ክገብሩ ከምዘይከኣሉ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ይገልጽ። ንኣብነት ኣስራሒ ግላዲስ ፓስፖርታ ሒዙ ብዘይ ፍቓዱ ከይትወጽእ ከልኪሉዋ ኣሎ። ግላዲስ ግን ክሳብ ሕጂ ዕድለኛ ከምዝዀነት ይስምዓ። እንተወሓደ ዘይከም ገለ ካልኦት ወጻእተኛታት ኣገልገልቲ፡ ንሳ ተሌፎና ክትሕዝ ከምዝተፈቕደላ ትዛረብ። ብተወሳኺ፡ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ኣይወርዳን። ኣካላዊ መጥቃዕቲ ኣብ ቐጠር ብዙሕ ግዜ ከም ዘጋጥም ግን ትገልጽ። ኣብዚ ሕጂ ትሰርሓሉ ቦታ ክትጸንሕ ዝደለየትሉ ካልእ ምኽንያት'ውን ኣሎ - ኣብዚ ዕድመኣ ዝሓሸ ስራሕ ትረክብ ኣይመስላን። ኣብ ወርሒ 1500 ሪያል ትረክብ፣ ስድራቤታ ንምድጋፍ ድማ ኵሉ ናብ ዓዳ ክትሰድድ ትኽእል። 'ማይግራንት ኢንተርናሽናል' ኣብ ዝተባህለ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝርከቡ ፊሊፒናውያን ሰራሕተኛታት ዝድግፍ ትካል ትሰርሕ ጆኣና ኮንሰፕሲዮን፡ ብዙሓት ንስድራቤቶም ገንዘብ ምውህላል ቀዳምነት ስለዝህቡ ብዛዕባ ሕማቕ ኵነታት ስርሖም ክዛረቡ ኣይመርጹን ትብል። እቶም ኣብ ግዝኣታት ወሽመጥ ዓረብ ዘለዉ ግን ብነጻነት ክዛረቡ ዝኽእሉ ርእሰ ተኣማንነት ክስምዖም ከሎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ከቢድ ግህሰት ከም ዝጠቕሱ ትዛረብ። ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣስራሒኣ ኣብ ዝሓረቐሉ እዋን ርእሳ ናብ መቐመጢ ሽቓቕ ደፊኡ፡ መግብን ማይን ከም ዝኽልክላ ገሊጻ። ብኣንጻሩ፡ ኣብ ንጉሳዊ ስድራቤት ኣ'ታኒ ዝተቘጽረት ሰራሕተኛ ገዛ፡ ጽቡቕ ኣተሓሕዛ ከምዘለዋ ትዛረብ፤ እንተኾነ ከምቲ ሕጂ ኵሎም ሰራሕተኛታት ብመሰረት እቲ ሓድሽ ሕግታት ክረኽብዎ ዝግባእ መዓልቲ ዕረፍቲ የብላን። ፍሽኽታ ዘይፍለያን ንጥፍቲን ኣልትያ (ናይ ብሓቂ ስማ ኣይኰነን) ካብ ትሕቲ መሬት ካብ ዝርከብ ክፍሊ መንበሪ ገዛ ሓደ ንጉሳዊ ስድራ ናብ ቢቢሲ ብቪድዮ ደዊላ። ንሳ፡ ኣስራሕታ ኣብ ፊሊፒንስ ክትገዝኦ ዘይትኽእል ዓይነት ኣይፎን፡ ክዳውንቲ፡ መጋየጽን ጫማን ከም ዝሃብዋ ትገልጽ። ልክዕ ከም ግላዲስ፡ ንሳ’ውን ኣብ ሃገራ ናብራ ክትገብር ስለዝተጸገመት እያ ናብ ቐጠር መጺኣ። ናይ ገዛእ ርእሰን መደቀሲ ክፍልታትን ናይ ሓባር ክሽነን ኣለወን፤ እዚ ኣገዳሲ እዩ። እተን ኣልቴያ ኣብ ቲክቶክን ፌስቡክን መግቢ ክልምና፡ ከምኡ’ውን ሓደ ሰብ ከድሕነን ክልምና እትርእየን ከደምቲ ገዛ፡ ከምኣ ዕድለኛታት ኣይኰናን። \"እቶም ቪድዮታት ኵሉ ግዜ ኣብ ኢንተርነት እየ ዝርእዮም፣ በዚ ምኽንያት ድማ እየ ዕድለኛ ኰይኑ ዝስምዓኒ\" ትብል። \"ንዓይ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ከም ጽውጽዋይ ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ።\" እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ኣብዞም ብልዑል ሻንደልያታት፡ ብወርቂ ዝተሰለሙ ጥንታዊ ንብረታትን ብድሙቓት ዕምባባታትን ዝማዕረጉ - ከምቲ ንሳ ትብሎ - \"ቤተ መንግስታት\" ዘሎ ስራሕ ከቢድ እዩ። ብሓፈሻ መዓልታዊ ስራሕ 6፡30 ንግሆ ሰራሕተኛታት ንስድራቤት ቁርሲ ኣብ ዘዳልዉሉ እዋን ይጅምር። ኣልቴያ፡ ስድራቤት በሊዖም ምስ ወድኡ እያ ትበልዕ። መግቢ ዘአንግዳሉ ኣቝሑ ድሕሪ ምጽራይ ድማ ንዅሎም እቶም ክፍልታት የጽርያ። ብድሕሪኡ ንምሳሕ ዝኸውን መግቢን ቦታታትን የዳልዉ። \"ብዙሓት ስለዝዀንና ቀሊል ስራሕ'ዩ\" ትብል ኣልቴያ። እተን ኣገልገልቲ ኣብ ክፍለን ካብ ሰዓት 3 ክሳብ ሰዓት 6 ድሕሪ ቀትሪ የዕርፋ፣ ድሕሪኡ ንድራር ይዳለዋ። ድራር ምስ ተዛዘመ ኣልትያ ስርሓ ወዲኣ’ላ፣ እንተደልያ ድማ ካብቲ ቀጽሪ ክትወጽእ ነጻ እያ። እቶም ንጉሳዊ ስድራ ፓስፖርታ ኣይሕዙን። ኣልትያ ግን መዓልታዊ ስራሕ ትሰርሕ፡ እንተላይ ኣብተን መዓልቲ ዕረፍቲ ዝዀና ቀዳመ-ሰንበት ወይ መወዳእታ ሰሙን። ሕጊ ቐጠር ውሕስነት ክህቦ ዝግባኦ መዓልቲ ዕረፍቲ ኣይትረክብን። ንስድራኣ ኣገዳሲ ገንዘባዊ ደገፍ ንምግባር እትኸፍሎ ዋጋ እዩ። ኣብ ማኒላ ንፊሊፒናውያን ሰራሕተኛታት ምስ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከቡ ዓቢ ስም ዘለዎም ስድራታት እተራኽብ መልማሊት ሜሪ ግሬስ ሞራለስ፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ምስራሕ \"ዘቕንእ\" ስራሕ ከምዝዀነ ትገልጽ። \"እቶም ስድራቤት ለጋሳት እዮም\" ትብል። ወሲኻ'ውን፡ ብዛዕባ እተን ኣገልገልቲ ኣብ ገዛ ከጋጥመን ዝኽእል ጸገማት ዘንጸባርቕ ርእይቶ ትህብ፡ \"እተን ኣዋልድ ኣብ ቤተ መንግስቲ እናሃለዋ ይረጉዳ። እቶም ስድራቤት ጽቡቕ ገይሮም ይምግብወን’ዮም።\" እቶም ንጉሳውያን ስድራቤታት ግን ገለ ኣዝዮም ፍሉያት ጠለባት ከም ዘለዎም ተቃልዕ። \"ነቶም ንጉሳዊ ስድራቤት ቐጠር ክሰርሓ ዝለኣኻ ኣዋልድ፡ ካብ 24 ክሳብ 35 ዓመት ዝዕድሚአን ኰይነን ኣዝየን ጽቡቓት እየን\" ትብል ሞራለስ። ዘረባኣ ኣቋሪጻ ናብቲ ምሳይ ትዘራረበሉ ዝነበረት ጽፍሒ ቪድዮ (ስክሪን) ድሕሪ ምጥማት፡ \"ካባኺ ዝጽብቓ\" ኢላ ፍሽኽ በለት። ድሒራ ግን ደቃ ሰሚዖም ዘይእሩም ዘረባ ከምዝተዛረበት ስለዝገለጹላ፡ ብዋትስኣፕ ይቕሬታ ዝሓትት መልእኽቲ ልኢኻትለይ። ከምዘይተበሳጨኹ ኣረጋጊጸላ። ጆኣና ኮንሰፕሲዮን፡ ኣልቴያ ከም ንጉሳዊት ሰራሕተኛ ገዛ ከምትሰርሕ ዝገለጸቶ ጸብጻብ ሓቂ ክኸውን ተስፋ ከምዘለዋ ትዛረብ። እንተዀነ፡ \"ገና ኣብ ቐጠር ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሓያል ስድራቤት እናሰርሐት ከላ” ብርግጽ ሓቂ ከምዝኾነ ንምፍላጥ ዝከኣለሉ ዕድል ከምዘየለ ትገልጽ። ገለ ሰራሕተኛታት ንጉሳዊ ስድራቤት ካብ ሃገር ምስ ወጹ ጥርዓን ኣቕሪቦም እዮም። ኣብ 2019 ሓላዊ፡ ውልቃዊ ኣሰልጣኒን ናይ ብሕቲ መምህርን ዝዀኑ ሰለስተ እንግሊዛውያንን ኣሜሪካውያንን ሰራሕተኛታት ንሓፍቲ ኣሚር፡ ሸይካ ኣል ማያሳ ቢንት ሓመድ ቢን ከሊፋ ኣ'ታኒን በዓል ቤታን፡ ኣብ ኒውዮርክ ከሲሶም ነይሮም። ክፍሊት ተወሳኺ ሰዓታት ከይተኸፈሎም ነዊሕ ሰዓታት ክሰርሑ ከምዝተገደዱ ገሊጾም። እቶም መጻምድቲ ነቲ ክሲ ነጺጐም፣ ዝዀነ ይዅን ተሓታትነት ከይተኣመኑ እቲ ክሲ ተዓጽዩ። \"ዓመጽን ምግፋዕን፡ ሕጽረት ድሕነትን ጥዕናን፡ ከምኡ'ውን ስእነት ብቝዕ መንበሪ ኣባይቲ ዝምልከት ጉዳያት ምሕባርን ምፍታሕን በዳሂ ክኸውን ይኽእል'ዩ\" ትብል ዞባዊ ዳይረክተር ኣህጉራዊ ውድብ ዕዮ (ILO) ሃገራት ዓረብ ዝዀነት ሩባ ጃራዳት። ኣህጉራዊ ውድብ ዕዮ፡ ነቲ ክኽፈል ዝኽእል ዝተሓተ ደሞዝ፡ ኣብ ሰሙን ሓደ መዓልቲ ዕረፍቲ፡ ናይ ሕማም ዕረፍቲን ናይ ትርፊ ሰዓት ተወሳኺ ክፍሊትን ዘረጋግጽ ሓድሽ ሕጊ ንምትግባር ምስ ቐጠር ይሰርሕ ከምዘሎ ይገልጽ። እንተዀነ ቀሊል ከምዘይኮነ ይሕብር። ኣልትያ፡ ኣብቲ ንጉሳዊ ቤተ መንግስቲ፡ ዋላ'ኳ ነዊሕ ሰዓታት እንተሰርሐት ሕጕስቲ ምዃና ትገልጽ። ክትድቅስ ከላ ነቶም ኣብ ፊሊፒንስ ዝርከቡ ኣሕዋታ ወይ ወለዳ መልእኽቲ ክትሰድድ ትኽእል’ያ። ብዙሕ ግዜ ትናፍቕ እያ - እቲ ጽውጽዋያዊ ቤተ መንግስቲ ናይ ብሓቂ ገዛኣ ኣይኰነን። ይዅን እምበር ወሳኒ ምንጪ እቶታ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። \"ብዘይ እዚ ስራሕ ንስድራይ ክድግፍ ፈጺመ ኣይምኸኣልኩን\" ትብል። ቢቢሲ፡ ንጉሳዊ ቤተሰብ ቐጠርን ኣብ ለንደን ንዝርከብ ኤምባሲ ቐጠርን ርእይቶ ክህቡ ሓቲቱ፡ መልሲ ግን ኣይረኸበን።","category":"መሰላት ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw5v2dvqk23o"} {"headline":"ገጸይ ኣብ ፊልም ወሲብ ረኺበዮ","content":"ገጽኩም ካብ ፍቓድኩም ወጻኢ ብዲጂታዊ መገዲ ተወሃሂዱ ኣብ ቪድዮ ወሲብ ኣትዩ፡ እሞ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እናተዘዋወረ እንተትረኽብዎ እንታይ ክስመዓኩም ከምዝኽእል ሕሰብዎ፡፡ ሓንቲ ልክዕ እዚ ተጓንፎ ዘጋጠማ ጓል ኣንስተይቲ ዝሓለፈቶ ስቅያት እነሆ፡፡ ኬት ኣይዛክስ፡ ሓደ ኣጋግዘ ኣብ ገጻት ትዊተር ሓበሬታ ሃሰሰስ እናበለት፡ ሓደ ክትርእዮ ዘለዋ ዘሰንብድ ቪድዮ ከምዘሎ ምልክት ረኺባ፡፡ \"ምሉእ ሰብነተይ ብስንባደ ተወሪሩ\" ትብል ኬት፡ ነቲ ዘጋጠማ ንፈለማ እዋን ክትዛረብ እንከላ፡፡ \"ዝዀነ ሰብ ገጸይ ወሲዱ ናብ ጽዩፍ (ፖርን) ቪድዮ ኣእትይዎ፤ ኣነ ከምዝዀንኩ እውን ክመስል ተገይሩ፡፡\" ኬት ኣብ ዘይነበረትሉ ንሳ ክትመስል (ዲፕፌክድ) ተገይራ፡፡ ዝዀነ ሰብ፡ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ተጠቒሙ ገጻ ብዲጂታዊ መገዲ ወሲዱ ናብ ገጽ ካልእ ሰብ ተኪእዎ፤ ናብ ሓንቲ ኣብ ጽዩፍ ፊልም (ፖርኖ) እትዋሳእ ካልእ ጓል ኣንስተይቲ፡፡ እቲ ምስ ገጽታ ኣንጻር ካብ ፍቓድ ወጻኢ ዝዝርግሑ ጽዩፋት ቪድዮታት እትጉስጉስ ኬት ተመሳሲሉ ዝተሰርሐ ስኑዕ ቪድዮ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ተሌቪዥን ካብ ዝሃበቶ ቪድዮ ብዝተወሰዱ ምስልታት ዝተቐናበረ እዩ፡፡ ወሲብ እናፈጸመት ድማ የርኢ፡፡ \"ልበይ ጠፊኡኒ፤ ብስርዓት ክሓስብ ኣይከኣልኩን\" ትብል፡፡ ‘‘በቃ እዚ ቪድዮ ናብ ኵሉ ክባጻሕ እዩ ዝብል ስምዒት ክስመዓኒ እዝክር፤ ዘሰንብድ እዩ ነይሩ፡፡\" ኣቐዲመ ፍሉጣት ሰባትን ፖለቲከኛታትን እዮም ቀንዲ ዒላማታት ኣመሳሲሎም ዝሰርሑ (ዲፕፌከርስ) ዝነበሩ፡፡ ኵሉም ድማ ናይ ጽዩፍ ኣይነበሩን፤ ገሊኦም ንላግጺ ወይ ጭርቃን ዝተሰርሑ እዮም፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ግን እዚ ተቐይሩ እዩ፤ ዲፕትሬስ ዝተባህለ ትካል ከምዝሕብሮ እቶም 96 ሚእታዊት ተመሳሲሎም ዝተሰርሑ ስኑዓት ቪድዮታት፡ ካብ ፍቓድ ሰባት ወጻኢ ዝተሰርሑ ጽዩፍ ቪድዮታት እዮም፡፡ ልክዕ ከምቲ ብቒምታ ወይ ሕነ ንምፍዳይ ክልሑኽ ዝግበር ጽዩፍ ቪድዮ (ሪቨንጅ ፖርን)፡ ተመሳሲሎም ዝተሰርሑ ስኑዓት ቪድዮታተት እውን ኣብ ምስሊ መሰረት ዝገበረ (ኢሜጅ ቤዝድ) ጾታዊ ጥቕዓት እዮም ዝምደቡ፡፡ እዚ ብዘይ ፍቓድ ሰባት ምስኣል፡ ምድላውን ምኽፋልን ጾታዊ ዝዀኑ ምስሊታት የጠቓልል፡፡ ኣብ ስኮትላንድ ሰባት ኣብ ጾታዊ ንጥፈት እናሃለዉ ዘርእይ ስእልታት ወይ ቪድዮታት ብዘይ ፍቓዶም ምዝርጋሕ ብሕጊ ዘሕትት ገበን እዩ፡፡ ካብ ካልእ ከባቢታት ብሪጣንያ ግን ኮነ ተባሂሉ ነቲ ሰብ ንምጉዳእ ዝተገበረ ምዃኑ እንተተረጋጊጹ እዩ ከም ገበን ዝውሰድ፡፡ እዚ ድማ ብዙሓት ከይተቐጽዑ ከምልጡ ዘኽእል ሓጓፍ ኣሎዎ፡፡ ድሕነት ኦንላይን ብዝምልከት ዝዳሎ ዘሎ ሕጊ፡ ፍታሕ ሒዙ ክመጽእ ትጽቢት ይግበር፡፡ ግዳይ እዚ መጥቃዕቲ ዝዀነት ኬት፡ ኣብ 2019 ‘ናትኪ ጽያፍ ኣይኰነን’ ዝብል ሃሽታግ መስሪታ፤ እዚ ጻዕራ ድማ ከንቱ ኣይተረፈን፡፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ፖርንሃብ ዝተባህለ ፍሉጥ ጽዩፍ ቪድዮታት ዝዝርግሕ ድሕረ-ገጽ ንመብዛሕትኦም ብዘይተፈለጠ ሰብ ዝተላእኩ ናታ ምስሊ ዝሓዙ ስኑዓት ቪድዮታት ኣልዩዎም፡፡ እንተዀነ ነቲ ቪድዮ መን ከምዘወሃሃዶን በዓል መን ከምዝረኣይዎን ኣይትፈልጥን፡፡ እቲ ቪድዮ ኣዐርዩ ናይ ብሓቂ ስለዝመስል ድማ ሰባት ክኣምንዎ ከምዝኽእሉ ትገልጽ፡፡ \"እዚ ጥሕሰት እዩ፤ መንነተይ ፍቓድ ብዘይሃብኩሉ መገዲ እዩ ኣብ ስራሕ ውዒሉ፡፡\" ኣብቲ ዝተዘርገሐ ስኑዕ ቪድዮ፡ ሰባት ዘይተኣደነ ዘይውርዙይ ርእይቶታትን ጸርፍታትን ይጽሕፉ ነይሮም፡፡ ናብ ገዛኣ ከይዶም ክዕምጽዋ፡ ነቲ ዓመጽ ክቕድሕዎን ኣብ ኢንተርነት ክዝርግሕዎን ምዃኖም ይጽሕፉ ነይሮም፡፡ \"ብዛዕባ ስድራቤትካ ምሕሳብ ትጅምር\" ትብል ንብዓታ ክትዓግት እናተቓለሰት፡፡ \"ነዚ ቪድዮ እንተርእዮምዎ ከመይ ይስመዖም?\" ኣብ ትሕቲ እቲ ቪድዮ ናይ ገዛኣን ስራሓን ኣድራሻ ስለዝተጽሓፈ ድማ፡ ነቲ ምፍርራሓት ኣጋዲድዎ፡፡ \"ጠቕሊለ ተጸሊለ፡ ‘ኣድራሻይ ዝፈልጥ መን እዩ?’ ዝፈልጦ ሰብ ድዩ ነዚ ዝገበረ?\" ምባላ ትዝክር፡፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ጸገም ንዝወደቝ ሰባት ናይ ምሕጋዝ ልምዲ ዝነበራ ኬት፡ እንታይ ክትገብር ከምዘለዋ ትፈልጥ እያ፡፡ ኣብቲ ህሞት ግን እትገብሮ ጠፊእዋ፡፡ \"ካብቶም ንኻልኦት ዝህቦም ዝነበርኩ ምኽርታት ንሓደኦም'ኳ ኣይተግበርኩን፡፡\" ሓደ መሳርሕታ እቶም ቪድዮታት ናብ ትዊተር ጠቊሙ ክእለዩ'ኳ ገይሩ እንተነበረ፡ ሓንሳእ ዝተበተነ ቪድዮ ጠቕሊልካ ካብ ማሕበራዊ ሚድያ ክትኣልዮ ግን ኣጸጋሚ እዩ፡፡ ነቶም ቪድዮታት ኣመሳሲሎም ዝሰርሑ ሰባት፡ ኣብ ኢንተርነት ሰፊሕ ዕዳጋ እዩ ዘሎ፡፡ ናይ ኣንስቶም፡ ጐረባብቶምን መሳርሕቶም ኢሉ እውን፡ ክትግምቶ ዝኸብድ'ኳ እንተዀነ፡ ናይ ኣደታቶም፡ ኣዋልድ ደቆምን ኣዝማዶምን ስኑዕ ቪድዮ ክስረሓሎም ዝሓቱ ኣለዉ፡፡ እቶም ሰራሕቲ ድማ ብዛዕባ እቲ ክስራሕ ዝተደለየ ዝርዝር መምርሒን ዋጋን ይህብዎም፡፡ ጐርከም ዝተባህለ ኣብ ምብራቓዊ እንግሊዝ ዝቕመጥ በዓል እዚ ሞያ፡ ንናይ ባዕሉ ድልየት ናይ ፍሉጣት ሰባት ቪድዮታት ብምውህሃድ ከምዝጀመረ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡ ጸኒሑ ግን፡ ባህ ናይ ዝበላኦ ደቂ ኣንስትዮ ኣመሳሲሉ ምስራሕ ጀሚሩ፡፡ ሕጂ ከም ተወሳኺ ገንዘብ ዝረኽበሉ ናይ ትርፊ ግዜ ስርሑ እዩ፡፡ ካብተን ምስለን ዝተሰነዐ ገሊአን ኣእምሮአዊ መጕዳእቲ ከጋጥመን ከምዝኽእል ዝኣምን'ኳ እንተዀነ፡ ብዙሕ ጸገም ኣለዎ ኢሉ ግን ከምዘይኣምን ኣብቲ መንነቱ ሓቢኡ ምስ ቢቢሲ ዝገበሮ ጻንሒት ተዛሪቡ፡፡ \"ዓስቢ ዝረኽበሉ እንተዀይነ ክሰርሕ እየ፡፡\" ጽርየት ናይቶም ተመሳሲሎም ዝተሰርሑ ቪድዮታት ከም ክእለት እቲ በዓል ሞያን ዝጥቀሞ ቴክኖሎጅን ይፈላለ እዩ፡፡ ወናኒ እቲ ዝዓበየ ተመሳሲሎም ዝተሰርሑ ጽዩፍ ቪድዮታት ዘፍሪ ትካል ግን፡ ድሕሪ ሕጂ ሓቅነት ናይቶም ዝፈርዩ ቪድዮታት ንምፍላጥ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ከምዝዀነ ይዛረብ፡፡ ድሕረ ገጹ ወርሓዊ ኣስታት 13 ሚልዮን ሰባት ዝርእይዎ ኰይኖም፡ ኣብ ዝዀነ እዋን ክሳብ 20 ሽሕ ቪድዮታት ይዝርግሕ፡፡ እዚ ኣብ ኣመሪካ ዝቕመጥን ሚድያ ዘየዘውትርን ውልቀሰብ፡ ምስ ቢቢሲ መንነቱ ብምዕቃብ ጻንሒት ገይሩ፡፡ ምስሊ ተራ ደቂ ኣንስትዮ ምውሳድ ዘይጥሕሶ መትከሉ ከምዝዀነ ዝገልጽ እዚ ውልቀ ሰብ፡ ምስሊ ፍሉጣት ሰባት፡ ጸለውቲ ማሕበራዊ ሚድያን ፖለቲከኛታትን ኣብ ጽዩፍ ቪድዮ ምጥቃም ግን ጸገም ኣለዎ ኢሉ ኣይኣምንን፡፡ \"ንኣሉታዊ ክፋል ሚድያ ዝተላመዱ እዮም፤ ቪድዮኦም ኣብ ኵሉ ቦታ ኣሎ፡፡ ካብ ካልኦት ተራ ዜጋታት ዝተፈለዩ እዮም\" \"ከምቲ ኣነ ዝርድኦ፡ ብዝተፈለየ መንገዲ ናይ ምርኣይ ክእለት ኣለዎም፤ ካብ ውሽጦም ከውጽእዎ ይኽእሉ እዮም፣ ፍቓድ የድልዮ እዩ ኢለ ኣይኣምንን፤ ሓሳባዊ እምበር ሓቀኛ እኮ ኣይኮነን\" ይብል፡፡ ገለ ክፋል ኣእምሮኡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ይበጽሕ ዝበሃል ጸገም ከምዘይቅበሎ ዝገልጽ እዚ በዓል ሞያ፡ በዓልቲ ቤቱ በዚ ሞያ ከምዝናበር ከምዘይትፈልጥ ይሕብር፡፡ \"ንበዓልቲ ቤተይ ኣይነገርክዋን፤ ከመይ ክጸልዋ ከምዝኽእል ኣይፈልጥን፡፡\" ክሳብ ቀረባ ቪድዮ ኣምሲልካ ንምስራሕ ዘኽእሉ መተግበሪታት ብቐሊሉ ኣይርከቡን ነይሮም፤ ሓደ ተራ ሰብ እውን ብቐሊሉ ክሰርሖም ዝኽእል ኣይነበሩን፡፡ ኣብዚ እዋን ግና ካብ 12 ዓመት ዕድመኡ ሰብ ጀሚሩ ብቐሊሉ ብዙሓት መተግበሪታት ከውርድን ኣብ ካልኢታት ሓቂ ዝመስሉ ቪድዮታት ክሰርሕን ይኽእል እዩ፡፡ ኬት፡ እዚ ኵነት ኣዝዩ ዘፍርህን ዘጨንቕን ከምዝዀነ ትገልጽ። ‘‘ዘይረኣይ ድሕረ-ገጽ ኣይኰነን፤ ኣብ ማዕከን መተግበሪታት እዩ ዘሎ፤ ኣብ ቅድሚ ገጽና እዩ ዘሎ።\" ኣንጻር ስኑዓት ቪድዮታት ዝወጽእ ሕጊ እውን እንተዀነ ነዚ ገበን ደው ዘይከብሎ ይኽእል ኢላ ትሓስብ፡፡ ካብዞም ሰናዕቲ ሓደ ዝዀነ ጎርከም ግን ቴክኖሎጂ ነገራት ክቕይር ከምዝኽል ይግምት። \"ኣብ ኦንላይን እንተተፈሊጠ፡ ምስራሕ ክገድፎ እየ፤ ምናልባት ካልእ መሕለፊ ግዜ ይረክብ ይኸውን\" ይብል። ኬት እቲ ዘጋጠማ ኣብ ጥዕናኣን ንሰባት ዝነበራ እምነትን ጸቕጢ ኣሕዲሩላን ነቲ ናይ ምጕስጓስ ስርሓት ደው ክተብሎ ተገዲዳን ነይራ። ሕጂ ግን ንርእሳ ኣረጋጊኣ ናብቲ ንቡር ኣንጻር እዞም ብምስሊ መሰረት ዝግበሩ ጾታዊ መጥቃዕቲታት እተካይዶም ንጥፈታ ተመሊሳ ኣላ።","category":"መሰላት ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cglgz2jv73jo"} {"headline":"ክትልሀ ሓዲራ' ተባሂላ ዝተኸሰት ቀዳመይቲ ሚኒስተር፡ ናጻ ተባሂላ","content":"ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፊንላንድ ሳና ማሪን፡ ዝሓለፈ ነሓሰ ኣብ ሓደ መደብ ምዝንጋዕ እናተላሃየት ዘርኢ ቪድዮ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ብጕድለት ስነምግባርን ምዝንጋዕ ሓላፍነትን ካብ ዝቐረበላ ክሲ ነጻ ከምዝተባህለት ይግለጽ ኣሎ። እታ ጓል 36 ዓመት ቀዳመይቲ ሚኒስተር፡ ምስ መሓዙታን ካልኦት ፍሉጣት ሰባትን እናጨፈረት ዘርኢ ቪድዮ ሞሊቝ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ነብሳ ክትከላኸል እያ ጸኒሓ። ሓያለ ሰባት፡ እቲ ተግባር እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር፡ “ክብሪን ድሕነትን ፊንላንድ” ዝሃሲ ተግባር እዩ ክብሉ ዝተሰምዖም ቅሬታ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም። እንተዀነ ሚኒስተር ፍትሒ እታ ሃገር ቶማስ ፖይስቲ፡ እዚ ተግባር ሳና ማሪን ሸለልትነት ንሓላፍነታ ዘርኢ ኣይኰነን፡ [ንሳ] ሓላፍነታ ዕሽሽ ኣይበለቶን ክብል ይምጕት። ፖይስቲ፡ “እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ምስ ሓላፍነታ ኣብ ዝተኣሳሰር ዘይሕጋዊ ተግባር ፈጺማ፡ ወይ ሓላፍነታ ዘንጊዓ ንዝብል ክሲ ዘራትዕ ዝዀነ ምኽንያት ከምዘየለ፡” ይገልጽ። ገለ ሰባት ኣብቲ ቪድዮ፡ “ 'ናርኮቲክ’ ዝብል ድምጺ ይስማዕ እዩ፡” ዝብል ርእይቶ ድሕሪ ምቕራቦም፡ ንዝተፈጥረ ጥርጠራ ምርኵስ ብምግባር፡ እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር መርመራ ዕጸ-ፋርስ ኣካይዳ እያ፤ ዝተረኽበ ውጽኢት ግን፡ ካብ ተጠቃምነት ሓሽሽ ናጻ ምዃና ኣረጋጊጹ እዩ። እቲ መደብ ትልሂት፡ ኣብ ሓደ ካንሸሎ መንበሪ ገዛ ውልቀሰብ ዝተቐድሐ ኰይኑ፡ ኣብቲ ምሸት እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ምስ መሓዙታ ናጻ ኰይና ክትልሀ ዘርኢ ምዃኑ ክርአ ጸኒሑ እዩ። ነዚ ኣመልኪቱ ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቐረበላ ሕቶ ክትምልስ እንከላ እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር፡ “ኣነ’ውን ሰብ እየ፡ ኣብዚ ድብንብን ዝበለ እዋን ሓጐስ፡ ብርሃንን ምዝንጋዕን እደሊ እየ፡” ክትብል ‘ያ መሊሳ። እዚ ክስተት ድማ፡ ሓያለ ደቀንስትዮ፡ ንቀዳመይቲ ሚኒስተር ሳና ማሪን ክድግፋ ገይሩወን እዩ። ብዙሓት ፊንላንዳውያን ደቀንስትዮ፡ ብሓባር እናተላሃያ ዘርኢ ቪድዮታት ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ክዝርግሓ ተራእየን እየን። ህብብቲ ኣሜሪካዊት ፖለቲከኛ ሰልፊ ዲሞክራትስ፡ ኢላሪ ክሊንተን፡ እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ምሕጓሳ ክትቅጽል ከም ዝግባእ ተዛሪባ እያ፤ ማሪን ከኣ ብወግዒ ምስጋናኣ ገሊጻ ምንባራ ይዝከር። ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሳና ማሪን፡ ብ21019 ኣብ 34 ዕድመኣ ስልጣን ዝጨበጠት መንእሰይ መራሒት መንግስቲ ምዃና ይፍለጥ። ንሳ፡ ኣብ ጥዕና፡ ቁጠባን ማሕበራዊን ስርዓታት ፊንላንድ፡ ጽኑዕ መርገጺን ጸጋማዊ ኣረኣእያን ዘለዋ ምዃና እያ ትፍለጥ። ሩስያ ንዩክረይን ድሕሪ ምውራራ፡ ነቲ ወራር ዝግባእ ግብረ መልሲ ንምሃብ ህዝባዊ ደገፍ ኣብ ዝሓየለሉ፡ እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር፡ ሃገራ ኣባል ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ ንኽትከውን ሓቲታ እያ። ሳን ማሪን፡ ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ግብጺ ዝካየድ ኣህጉራዊ ዋዕላ ክሊማዊ ለውጢ ክትሳተፍ ትጽቢት ይግበር።","category":"መሰላት ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c28wl2xvnv1o"} {"headline":"ኣከዳድናኺ 'ስነ ልቦናና ረቢሹዎ' ዝብል ተቓውሞ ዝቐረበላ ሚኒስተር፡ ሻርፓ ተለቂሓ ክትሽፈን ተገዲዳ","content":"ሚኒስተር ጥዕና ዛምቢያ ሲልቫ ማሴቦ፡ ኣብ ባይቶ፡ ሓደ ተቓዋሚ ኣባል ባይቶ፡ ኣከዳድንኣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ኣባላት \"ስነ-ልቦናዊ  ረብሻ\" የስዕብ ኣሎ ብምባል ናብ ኣፈ-ጉባኤ እቲ ባይቶ ጥርዓን ድሕሪ ምቕራቡ፡ መንኵባን ሕቖኣን ብሻርፓ ክትሽፍን ተገዲዳ። ሙለንጋ ፉቤ፡ ኣከዳድና እታ ሚኒስተር፡ ሑቖኣ ዘርኢ ስለ ዝነበረ፡ 'ማሴቦ ግቡእ ኣከዳድና ድያ ተኸዲና ዘላ?' ዝብል ሕቶ ኣቕሪቡ። እቲ ሲልቫ ማሴቦ ተኸዲናቶ ዝነበረት ቀምሽ፡ ኣፍልባን መንኰባን ዝሸፈነ ኰይኑ ገለ ክፋል ዝባና ዘርኢ’ዩ ነይሩ። ኣፈ ጉባኤ እቲ ባይቶ፡ ኣብ’ቲ ኣከዳድና ዝዀነ ጸገም የብሉን ዝብል ምላሽ ሂቡ። ይኹን’ምበር፡ ብሰንኪ’ቲ ዝቐረበ ጥርዓናት ክትሽፈን ኣለዋ ኢሉ። ነዚ ስዒቡ፡ ሚኒስትር ሲልቫ ናይ ገዛእ ርእሳ ሻርፓ ሒዛ ቅድሚ ምምላሳ፡ ካብ ካልእ ኣባል ባይቶ ተለቂሓ ክትሽፈን ተገዲዳ። ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ነቲ ፍጻሜ ኣድልዎ ምዃኑ ብምግላጽ ተቓዊሞምዎ። ኣባል ማሕበር ክርስቲያን መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ሚርያም ምዊንጋ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቲ ፍጻመ ጾታዊ ኣድልዎ ዝተራእዮን ንናጽነት ደቂ ኣንስትዮ ዝዳፋእን ከም ዝዀነ ገሊጻ። ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ባይቶ ዛምብያ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ባይቶ ክዀና እንከለዋ ስሩዕ ኣከዳድና ማለት ስሩዕ ባድላ ወይ ትሕቲ ብርከን ዝዀነ ጕርዲ ክዳን፣ ስረ ወይ ክኣ “ጭዋ” ዝብሃል ባህላዊ ኣከዳድና ጥራይ ክኽደና ይፍቀደለን። ንደቂ ተባዕትዮ ኣባላት ባይቶ ዝምልከት ስርዓት ኣከዳድና እውን ኣሎ። እዚ ከኣ፡ ባድላ፣ ነዊሕ ሱሩዕ ስረ፣ ጃኬትን ክራቫታን፤ ከምኡ’ውን \"ጭዋ\" ባህላዊ ኣከዳድና፤ ወይ ነዊሕ ወይ ሓጺር ኢድን ዘለዎ ሱፍ፣ ሻርፓን ከራባትን ዘለዎ ኣከዳድና ክኽደኑ ኣለዎም ይብል።","category":"መሰላት ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c9981w1qg8yo"} {"headline":"ጭሕሚ ዘለዋ ህንዳዊት ሻይጃ ከነላልየኩም","content":"ሓንቲ ጭሕሚ ዘለዋ ህንዳዊት ሰበይቲ፡ ብኢንተርነት ኣቢላ ካብ ሰባት ሞሳን ላግጽን ረኺባ እያ። እንተዀነ በቲ ኣብ ገጻ ዘሎ ጸጕሪ ዝርአ ዝዀነ ይዅን ተገዳስነት ከም ዘይትድነቕ ትገልጽ። እታ 35 ዓመት ዝዀነት ሻይጃ ኣብ ዋትስኣፕ ኣብ ትሕቲ ስእሊ \"ጭሕመይ እፈትዎ እየ \" ኢላ ጽሒፋ እያ። መብዛሕትኡ ግዜ ስእላ ብፈይስቡክ ዝርኣዩ ወይ ብኣካል ዝረኽብዋ ሰባት ስለምንታይ ጭሕሚ ከም ዘለዋ ይሓትዋ እዮም። \"ክብሎ ዝኽእል ይፈትዎ'የ ጥራይ'የ፡ ኣዝየ'የ ዝፈትዎ” ትብል። ሻይጃ ኣብ ደቡባዊ ግዝኣት ከራላ ኣብ እትርከብ ኣውራጃ ካኑር እያ ትነብር። ልክዕ ከም ብዙሓት ኣንስቲ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ከናፍራ ጸጕሪ ነይርዋ። ሻይጃ ኣዘውቲራ ጸጕሪ ዓይና ተስተኻኸል'ኳ እንተዀነት ነቲ ኣብ ላዕለዋይ ከናፍራ ዘሎ ጸጕሪ ግን ከተልግሶ ኣይትደልን። ኣስታት ሓሙሽተ ዓመት ይገብር ናብ ዝርአ ዓይነት ጭሕሚ ክዓቢ እንከሎ ሻይጃ ድማ ተሓጕሳ። \"ሕጂ ብዘይ ብእኡ ክነብር ኣይክእልን እየ። ለበዳ ኮቪድ ክጅምር እንከሎ ንገጸይ ስለ ዝሽፍኖ ወትሩ ማስኬራ ምግባር ኣይፈቱን እየ ነይረ\" ትብል። ብዙሓት ዝረኣይዋ ሰባት ጭሕማ ከተወግድ'ኳ እንተ ተማሕጸንዋ ሻይጃ ኣይፈቐደትን። \"እዚ ስለ ዘሎኒ ወይ ክረኽቦ ዘይግብኣኒ ነገር ስለ ዝዀነ መልክዐኛ ዘይምዃነይ ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን እዩ።\" መብዛሕትኡ ግዜ ደቂ ኣንስትዮ ጸጕሪ ገጽ ዘይድለ ምዃኑ፡ ከምኡ'ውን ኣዘውቲረን ከልግሳኦ ከምዘለወን ይንገረን እዩ። ክሬማት መእለዪ ጸጕሪ ናይ ቢልዮናት ዶላር ኢንዱስትሪ እዩ። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ግና ብዙሓት ኣንስቲ ንጸጕረን ተቐቢለን ሕሉፍ ሓሊፈን'ውን ብሓበን ምስቲ ንቡር ክጻረራ ይመርጻ ኣለዋ። ኣብ 2016 ሃርናም ካውር ትበሃል ወፈራ ኣካላዊ ምውስዋስ ተካይድ መንእሰይ፡ ምሉእ ጭሕሚ ዘለዋ ዝነኣሰት ሰበይቲ ኰይና ኣብ መዝገብ ጊነስ ሪኮርድስ ሰፊራ። ቃለ መጠይቕ ክግበረላ እንከሎ፡ ንጭሕማ ምቕባላ ንገዛእ ርእሳ ንኽትፈቱ ከምዘኽኣላ ገሊጻ ነይራ። ንሻይጃ፡ ጭሕማ መግለጺ ዘይኰነስ ኣካል መንነታ እዩ። \"ዝደለኽዎ ጥራይ እየ ዝገብር። ክልተ ህይወት እንተ ዝህልወኒ ምናልባት እታ ሓንቲ ንኻልኦት ሰባት ኢለ ንኽንብር ምተጠቐምኩላ ነይረ፡\" ትብል። ገለ ካብዚ ኣረኣእያ'ዚ ንሓያሎ ዓመታት ምስ ጸገማት ጥዕና ብምቅላስ ዝመጸ እዩ። ሻያጃ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት ሽዱሽተ መጥባሕቲ ገይራ እያ። እቲ ሓደ ነቲ ኣብ ጡባ ዝነበረ ሕበጥ ከተልግሶ እዩ። እቲ ካልእ ድማ ነቲ ኣብ ማህደረ - እንቋቝሖኣ ዝነበረ ጽኪ ከተልግስ እዩ ነይሩ። ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ንመወዳእታ ግዜ ዝገበረቶ መጥባሕቲ ድማ ሂስተሬክቶሚ  (ንዅሉ ወይ ገለ ኽፋል ማህጸን ንምውጋድ ዝግበር መጥባሕቲ ምግባር) እዩ። \"ካብ መጥባሕቲ ኣብ ዝወጸሉ እዋን ኵል ሳዕ ድሕሪ ደጊም ናብ ክፍሊ መጥባሕቲ ንኸይምለስ ተስፋ ይገብር\" ትብል። ሻይጃ ሓፋር ቈልዓ ኰይና ከም ዝዓበየት ትገልጽ። ኣብ ቍሸታ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ድሕሪ ሰዓት 6 ኣጋ ምሸት ካብ ገዛአን ወጻኢ ኣይረኣያን እየን ። ከራላ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ለውጢ ዝርከባ ግዝኣት ህንዲ'ኳ እንተ ዀነት፡ ኣብ መብዛሕትኡ ከበቢ ግን ኣረኣእያ ኣቦነት ዓሲሉ ይርከብ። ኣንስቲ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ በይነን ከይጓዓዛ ወይ ከይነብራ ይዕገታ እየን። ተመርዕያ ናብ ታሚል ዝበሃል ጐረቤት ሃገር ምስ ከደት፡ ሓድሽ ዓይነት ናጽነት ምርካባ ከም ዘሐጐሳ ትገልጽ። \"ሰብኣየይ ናብ ስራሕ ከይዱ ደንጕዩ ይምለስ ነበረ። ስለዚ ምሸት ኣብ ኣፍደገ ገዛይ ኮፍ እብል፣ ሓደ ሓደ ግዜ ኸኣ ገለ ነገር እንተ ደልየ፡ በይነይ ናብ ድኳን ይኸይድ ነይረ። ዋላሓደ ዝግደስ ኣይነበረን። ሓደ ሓደ ነገራት በይነይ ምግባር ምልማደይ ምትእምማን ኣሕዲሩለይ እዩ፡\" ብምባል፡ እዚ ስምዒት ናብታ ጐርዞ ጓላ ከተመሓላልፎ ትጽዕር ከም ዘላ ትገልጽ። ስድራ ቤትን ፈተውትን ሻይጃ ነቲ ጭሕማ ይድግፉ እዮም። ጓላ መብዛሕትኡ ግዜ ከም ዘጸብቐላ ትነግራ እያ። ሻይጃ ግን ካብቶም ኣብ ጐደናታት ዝርእይዋ ሰባት ዝተፈላለየ ርእይቶታት ከም ዝሰምዐት ትገልጽ። \"ሰባት 'ጭሕሚ ናይ ሰብኡት እዩ፡ ሰበይቲ ከመይ’ሉ ጭሕሚ ይህልዋ?' እናበሉ የላግጹለይ\" ትብል። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝቐርብ መራኸቢ ብዙሓን ብተደጋጋሚ ተራእያ እያ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ናይቲ ከባቢ ማዕከን ዜና ብዛዕባኣ ኣብ ፈይስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ላግጺ ከም ዝረኣየት ትገልጽ። ሓደ ሰብ ጸጕሪ ዓይና ክተስተኻኽል እንተደኣ ክኢላ፡ ጭሕማ ብላማ ዘይትኣልየሉ ምኽንያት እንታይ ከምዝኾነ ሓቲትዋ። \"እንተዀነ፡ ብዛዕባ እቲ ኣነ ዝደልዮ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ እንታይ ክዕቅብ እንታይ ድማ ከልግስ ከም ዘለኒ ኣነ’ዶ ኣይኮንኩን ዝውስን? \" ኢላ ትሓትት። መብዛሕትኡ ግዜ ፈተውታ ነቲ ኣብ ፈይስቡክ ዝወሃብ ርእይቶ ብቝጥዓ መልሲ ይህቡ'ሉ፤ ንሳ ግን ከም ዘየጨንቓ እያ ትዛረብ። \"ወረ ሓደ ሓደ ግዜስ ክስሕቕ ኢለ'የ ነቲ ርእይቶታት ዝርእዮ\" ትብል።","category":"መሰላት ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c03lp63662yo"} {"headline":"ካሚል ቫስከዝ፡ ከይተሓስበ ውርይቲ ዝዀነት ጠበቓ ጆኒ ዲፕ","content":"ኣብ ጉዳይ ጆኒ ዲፕን ናይ ቀደም ሰበይቱ ኣምበር ሀርድን ኣመልኪቱ ይካየድ ንዘሎ መስርሕ ቤት ፍርዲ ሚልዮናት ሰባት ይከታተልዎ ኣለው። ኣብ መንጐ እዚ ድራማ ግን ከይተሓስበ ኣቓልቦ ሚልዮናት ዝሰሓበት ካሚል ቫስከዝ ኰይና ኣላ። ካሚል ንጆኒ ዲፕ ወኪሎም ካብ ዝቐርቡ 9 ጠበቓታት ሓንቲ እያ። ጓል 37 ዓመት ካሚል፡ ብእትኽተሎ ሕጋዊ ኣሰራርሓ እያ ከይተፈለጣ ተዋሳኢት እቲ ምርኢት ኰይና ዘላ። ብስማ እተሰለመ ካምቻታትን ንዓኣ ዝንእዱ ሃሽታጋትን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ይሰጋገሩ ኣለዉ። ካሚል ንኽልተ ደቒቕ ዝኣክል፡ \"ተቓውሞ\" እናበለት ንጠበቓ ሚስ ሀርድ ተቓውሞኣ ከተስምዕን ብተደጋጋሚ ክትማጐቶን ተርእይ ኣብ ቲክቶክ ዝተዘርግሐት ቪድዮ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ልዕሊ 27 ግዜ ሚልዮን ተራእያ እያ። ሕሉፍ ሓሊፉ እውን እታ ክሊፕ ኣብ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ንኣዕሩኽቶምን ንስድራኦምን \"ተቓውሞ\" ዘርእዩላ ኰይና ኣላ። ብሓፈሻ '#ካሚል ቫስከዝ' ብዝብል ዝተሰየሙ ቪድዮታት ቲክቶክ ብኣማኢት ሚልዮናት ግዜ ተራእዮም ኣለው። ትዊት ካብ ዝተገብሩ ጽሑፋት ሓደ፡ \"ኣድናቒ ጆኒ ዲፕ እየ። \"ሕጂ ግን ሓያል ኣድናቒ ካሚል ቫስከዝ ኰይነ ኣለኹ\" ይብል። እሞ ደኣ እዛ ዓይኒ ተዓዘብቲ ቤት ፍርዲ ዝማረኸት ዓቃቢት ሕጊ መን እያ? በላሕ ዓቃቢት ሕጊ ካሚል ቫስከዝ ካብ ኮሎብያውያን ወለዲ ኣብ ሳንፍራንሲስኮ ተወሊዳ። ብ2006 ካብ ዩኒቨርሲቲ ሳውዘርን ካሊፎርኒያ ብ2010 ድማ ካብ 'ሳውዘርን ሎው ስኩል' ተመሪቓ። ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብቲ ንጆኒ ዲፕ ክውክል ውዕል ዝኣተወ፡ ልዑል ተቐባልነት ዘለዎ ትካል ሕጊ ብራውን ሩድኒክ ተሓባባሪት ኰይና ሰሪሓ እያ። ብ2021 በስት ሎውየር ዝተባህለ መጽሔት ናብ 'ዝለዓለ ጽፍሒ ይመጽኡ' ካብ ዘለዉ ጠበቓታት ሓንቲ ክብል ሰምይዋ ነይሩ። ከም ናይ ጆኒ ዲፕ ኣብ ዝኣመሰሉ ጕዳያት ጸለመ፡ ንተኸሰስቲ ኣብ ምውካል ፍሉይ ክእለት ኣለዋ። ይዅን እምበር ካሚል ኣብቶም ሓደስቲ ደገፍታ ኣጸቢቓ ትፍለጥ በቲ ዘርኣየቶ ብዙሕ ተቓውሞታትን በቲ ምስ ሚስ ሃርድ ዝገበረቶ ውጥረት ዝመልኦ ዝርርብን እዩ። ኣብነት ድያ ወይስ ኣይኰነትን? ካሚል ንጆኒ ዲፕ ዘካየደቶ ሓያል ጥብቅና፡ #ኣነ'ውን ናይ ዝብል ኣንጻር ጾታዊ ማህሰይቲ ዝግበር ምንቅስቓስ ኣቓልቦ ክትስሕብን ኣርእስቲ ምይይጥ ክትከውንን ኣኽኢልዋ እዩ። ብኣንጻሩ፡ ነቲ ኣምበር ሀርድ ዘቕረበቶ ክሲ ከም ዘይኣመነት ወይ ነቲ ማህሰይታ ከም ሓሶት ገይራ ከም ዝረኣየቶን ተባሂላ ትውቀስ እያ። ሓደ ኣብ ትዊተር ዝተጻሕፈ መልእኽቲ፡ \"ካሚል ቫስከዝ ንበይና ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰዓት፡ ንኣንስትነት [ፈሚኒዝም] ን50 ንድሕሪት ስለ ዝመለሰት ኣእውዩ ፡\" ይብል። \"ታሪኽ ብጽቡቕ ኣይዝክረክን እዩ።\" ብኻልእ ሸነኽ ግን ደገፍታ ንመሰላት እቶም ግዳያት ዘቤታዊ ዓመጽ ዝዀኑ ደቂ ተባዕትዮ ትጣበቕ ኣብነታዊት ጠበቓ ከም ዝዀነት ይማጐቱላ ኣለዉ። ይዅን እምበር ካሚል ኣብ መንጐ ደገፍቲ ጆኒ ዲፕ ዘለዋ ህቡብነት ኣብቲ መስርሕ ፍርዲ ዘምጽኦ ውጽኢት ብሕጂ ዝርአ እዩ። ጠበቓ መከላኸሊን ዳኛ ነበርን ሓሊም ዳኒዲና ንጋዜጣ ዳይሊ ቢስት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ \"ኣብ ኢንተርነት ዝግበር ህዝባዊ ግብረ-መልሲን፡ ምስቲ ውልቀ 'ነባሮ ቤት ፍርዲ' [Jurors] ዝውህብዎ ውሳነ ሓደ ድዩ ኣይኮነን ንምፍላጥ ኣጸጋሚ'ዩ፡\" ኢሉ። ሚስተር ዳኒዲና ወሲኺ፡ ህቡብነት ቫስከዝ፡ እቲ ፍርዲ ንኣምበር ሀርድ ተሪር ዓውደ ቕልስ ክኸውን ምዃኑ ዘመልክት'ዩ ኢሉ። ህዝቢ ከምዘይፈተዋ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ንጠበቓ ጆኒ ዲፕ ብዝያዳ እናፈተዋ ከምዘሎን እዚ ድማ ንኣምበር ሀርድ ከጨንቓ ከም ዝኽእል ይገልጽ።","category":"መሰላት ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61602759"} {"headline":"ኦሮሚያ፡ ነጥቢ ኣምጺኣ ምስ ወዳ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዝኣተወት ኣደ","content":"ጓል 47 ዓመት ወይዘሮ ይመኙሽ ምትኩ፡ \"ተምሃሪት 10ይ ክፍሊ ኣብ ዝነበርኩሉ፡ ስድራይ ካብቲ ዝፈትዎ ትምህርቲ ኣብኲሮም ብግዲ ንዘይፈልጦ ሰብ ኣመርዕዮምኒ። ኰይኑ ግን፡ ደቀይ ምስ ኣምሃርኩ ናብ ትምህርቲ ተመሊሰ ናብ ዩኒቨርሲቲ ክኣቱ'ውን ክኢለ ኣለኹ፡\" ትብል። ወይዘሮ ይመኙሽ፡ ኣደ ኣርባዕተ ቈልዑ ኰይና፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ፈተና ወሲዳ ጽቡቕ ውጽኢት ብምምዝጋብ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ኣትያ። ካብ 10ይ ክፍሊ፡ ምስቲ ሳልሳይ ወዳ እያ ተማሂራ፤ ለይቲ ድማ ምስ ደቃ ኰፍ ኢላ ተጽንዕ ከም ዝነበረት ንቢቢሲ ተዛሪባ። ብ2011 ዓ.ም፡ ኣብ ፈተና 10ይ ክፍሊ 3.7 ነጥቢ ከተምጽእ እንከላ፡ ወዳ ድማ 3.9 ነጥቢ ብምምጻእ ብሓባር ናብ መሰናድኦ ኣትዮም። ሽዑ፡ ኣብ ሓደ መምሃሪ ክፍሊ ጐድኒ ንጐድኒ ኰይኖም ተማሂሮም። ወይዘሮ ይመኙሽ፡ ኣብቲ ግዜ እተን ናይ መጀመርታ ክልተ ደቃ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርተን ኣፋሪቐን ነይረን። \"ትምህርቲ ብጣዕሚ እየ ዝፈቱ፤ ቈልዓ ኰይነ ካብ 1ይ ክሳብ 7ይ ክፍሊ ክምሃር እንከለኹ፡ ደረጃይ ትሕቲ ሓምሻይ ኰይኑ ኣይፈልጥን፡\" ትብል። ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት መንእሰያት ተመሪቘም ስራሕ ኣብ ዘይረኽቡሉ ግዜ፡ ስለ ምንታይ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣቲኻ ተባሂላ ክትሕተት እንከላ'ውን፡ ንትምህርቲ ብዘለኒ ፍቕሪ እያ ትብል። \"ወሊደ ኣዕብየ'የ፤ ተማሂረ ንሕብረተሰበይ ካብ ምግልጋል ሓሊፉ ትምህርቲ ስለ ዝፈቱ'የ ዝምሃር፡\" ኢላ። ወይዘሮ ይመኙሽ ምትኩ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ወረዳ ሌቃ'ያ ተወሊዳ። ብ1976 ዓ.ም [ኣ.ኢ] መባእታዊ ትምህርቲ ጀሚራ። ብ1983 ዓ.ም፡ ስርዓት ደርግ ክወድቕ እንከሎ ግን ሃገራዊ ፈተና ሻምናይ ክፍሊ ሓሊፍዋ። ድሕሪኡ፡ ናብ ገጠር ተመሊሳ ንስድራኣ ትሕግዝ ነይራ። ቀደም፡ ከምዚ ሎሚ ሓበሬታ ብቐሊሉ ዝርከበሉ ግዜ ስለ ዘይነበረ፡ ፈተና እትወስደሉ መዓልቲ ንምፍላጥ ተጸጊማ ነይራ። \"ሓደ ግዜ፡ ፈተና ዝወሃበሉ መዓልቲ ክሓትት ናብ ቤት ትምህርቲ ከይደ፣ ፈተና 8ይ ክፍሊ ብ28 ሰነ 1983 ዓ.ም ከም ዝተዛዘመ ሰሚዐ። ሓዚነ እናበበኹ ናብ ገዛይ ተመሊሰ፡\" ትብል። ኣብቲ ግዜ ብሰንኪ ዝነበሩ ጸገማት ከይተፈተነት ጸኒሓ፡ ብ1988 ፈተና ሻምናይ ክፍሊ ወሲዳ ናብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ነቀምቴ ኣትያ። ሽዑ፡ \"ቤተሰበይ፡ ጓልኩም ሃቡና ተባሂሎም ተሓቲቶም። ካብቲ ዝፈትዎ ትምህርቲ ኣተዓናቒፎም ከኣ ኣመርዕዮምኒ፣ ትምህርተይ ክቋረጽ እንከሎ ሓዚነ'የ፡\" ትብል። ወሲኻ፡ \"ኣነን በዓል ቤተይን ኣይንፋለጥን፤ ስድራቤትና ግን ይፋለጡ'ዮም። ወተሃደር ደርግ ስለ ዝነበረ ናብ ገዛኡ ምስ ተመለሰ ቤተሰቡ ንስድራይ ሓቲቶም። ስራሕ ኣይነበሮን፡\" ክትብል ተዘክሮኣ ተዕልል። ምስ ተመርዓወት ድማ፡ ኣብ ከተማ ጅማ ብሕርሻ ክትመሓደር ጀሚራ። በዓል ቤታ፡ ትምህርታ ክትቕጽሎ ኣለዋ ኢሉ ዝኣምን'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ መንጐ ቘልዓ ናብ ምዕባይ እያ ኣትያ። \"ዝዀነ ሰብ ርእሱ ክሳብ ዝኽእል ክምርዖ የብሉን ኢለ'የ ዝኣምን። ሓዳር ኣይፈቱን ነይረ፤ ወሊደ እንከለኹ'ውን ኮብሊለ ከይደ'ዶ ክመሃር እናበልኩ'የ ዝሓስብ ነይረ፡\" ትብል። ብ1994 ዓ.ም፡ በዓል ቤታ ስራሕ ዋርድያ ረኺቡ ኑኑ-ቁምባ ናብ ዝብሃል ቦታ ከደ። ወይዘሮ ይመኙሽ'ውን ብዙሕ ኣይጸንሐትን ተጸንቢራቶ ቈልዑ ምዕባይ ቀጺላ። ኣብቲ ግዜ፡ እቲ ናይ ኮሌጅ ትምህርቱ ኣመንግዩ ናብ ውትህድርና ከይዱ ዝነበረ በዓል ቤታ፡ ሕጊ ተማሂሩ ዲፕሎማ ሓዘ። ጸኒሑ ትምህርቱ ናብ ዲግሪ ኣዕብዩዎ፤ ሕጂ ኣብ ኑኑ-ቁምባ ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ተቘጺሩ ይሰርሕ ኣሎ። እዚ ድማ፡ ወይዘሮ ይመኙሽ ትምህርታ ክትቕጽል ምትብባዕ ፈጢሩላ። ወርሒ መስከረም ተምሃሮ ክምዝገቡ እንከለው፡ ኣነኸ መዓስ'የ ዝምዝገብ እናበልኩ ይሓስብ ነይረ፡ እትብል ወይዘሮ ይመኙሽ፡ ኣርባዕተ ቈልዑ ምስ ወለደት ናብቲ እትፈትዎ ትምህርቲ ተመሊሳ። \"እተን ናይ መጀመርታ ክልተ ደቀይ ናብ ዩኒቨርሲቲ ምስ ኣተዋ፡ ድሕሪ ሕጂ ደቀይ ኣይጽገሙን'ዮም ኢለ ብ2011 ናብ ትምህርቲ ተመሊሰ። በዓል ቤተይ'ውን ንኽመሃር የተባብዐኒ ነይሩ። ደቀይ'ዮም ኣመዝጊቦምኒ፤ ሳልሳይ ወደይ ደቻሳ ኣብ ትምህርቱ ንፉዕ'ዩ። ምስኡ 10ይ ክፍሊ ብሓደ ክንመሃር ጀሚርና፡\" ኢላ። ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ናብ ትምህርቲ ክትምለስ እንከላ ዝፈጠረላ ጸገም ከተብርህ እንከላ፡ \"ካብ ውሽጠይ ኣይወጽአን ነይሩ፤ ቍጽሪ ይፈቱ'የ። መጀመርታ ቅሩብ ከቢዱኒ ስለ ዝነበረ ወደይ ይሕግዘኒ ነይሩ። ለይቲ ብሓባር ኰፍ ኢልና ነጽንዕ። ምብኳር ኣይፈቱን'የ፡\" ትብል። ፈተና 12 ክፍሊ ምስ ወሰዱ ግን፡ ወዳ ናብ ዩኒቨርሲቲ ጅማ ክምደብ እንከሎ፡ ንሳ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ተመዲባ። \"ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ገጠር ኰይነ ናብራ ህጻናትን ኣደታትን ስለ ዝርኣኽዎ፡ ጥዕና ተማሂረ ንህዝቢ ከገልግል እየ ዝደሊ። ኣነ ስራሕ ንኽረክብ ጥራይ ዘይኮነ፡ እዚ ዕድል ብምርካበይ ስለ ዝተሓጐስኩ'የ ዝመሃር ዘለኹ፡\" ትብል። ወይዘሮ ይመኙሽ ዩኒፎርም ተኸዲና ምስ ወዳ ናብ ቤት ትምህርቲ ክትኸይድ እንከላ፡ ኣብ ዓይኒ ብዙሓት ሰባት ኣትያ እያ። \"ብዙሓት ተመሃሮ ብኣና ሕጕሳት ነይሮም። ከማኹም ምስ ኣዴታትና እንተንመሃር ኢሎም ይምነዩ ነይሮም\" ይብል ደቻሳ። ወይዘሮ ይመኙሽ ብወገና፡ \"እቶም መምሃራን ኣነ ክወልዶም ዝኽእል ስለ ዝነበሩ የተባብዑኒ ነይሮም፡\" ብምባል ቈልዑ እናዕበየት፡ ስራሕ ገዛ እናሰርሐት ምምሃር ከም ዘይከበዳ ትገልጽ። ብዝተፈላለየ ምኽንያት ትምህርተን ዘቋረጻ ኣዴታትን ደቂ ኣንስትዮን፡ ኣብ ዝዀነ እዋን ምስ ደቀን'ውን እንተዀነ ክመሃራ ይኽእላ እየን ዝብል እምነት ኣለዋ።","category":"መሰላት ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61590296"} {"headline":"ጥንሲ ንምስዳድ ዝጓዓዛ ደቂ ኣንስትዮ ሓለዋ ክግበረለን እዩ- ጆ ባይደን","content":"ጥንሲ ንምስዳድ ዝጋዓዛ ደቂ ኣንስትዮ ብመንግስቲ ፌደራል ሓለዋ ከምዝግበረለን ፕረዚደንት ጆ ባይደን ገሊጹ፡፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ነቲ ን 50 ዓመታት ዝጸንሐ ምስዳድ ጥንሲ ዘፍቅድ ሕጊ ምስራዙ ስዒቡ፡ ሚልዮናት ደቂ ኣንስትዮ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ እዚ መሰለን ስኢነን ኣለዋ፡፡ እቲ ውሳነ ሓድሕድ ግዝኣታት ኣመሪካ ምንጻል ጥንሲ ዝኽልክሉ ሕጊታት ከውጽኣ ባይታ ዝፈጥር እዩ፡፡ ጐግል ብወገኑ ናብ ጥንሲ መስደዲ ክሊኒካት ዝኸዳ ደቂ ኣንስትዮ ንቕጽዓት ክዳርጉ ዝኽእሉ ሓበሬታታት ካብ ማዕከኑ ምጥፋእ ከምዝጅምር ገሊጹሎ፡፡ ምስዳድ ጥንሲ ኣብ ዝተኸልከለሎም ከባቢታት ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ናብ ዘይከልከላ ግዝኣታት ክጓዓዛ ከምዝኽእላ ይግመት፡፡ ፕረዚደንት ባይደን ምስ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራት ኣብ ዝነበሮ ኣኼባ ገለ ግዝኣታት፡ ጥንሲ ክሰዳ ንዝጓዓዛ ደቂ ኣንስትዮ፡ ክእሰራ ከምዝኽእላ ተዛሪቡ፡፡ ‘‘ ሰባት ከምኡ ከጋጥም ይኽእል እዩ ኢሎም ዝኣምኑ ኣይመስለንን፤ ግን ከኣ ከጋጥም እዩ’’ ኢሉ፡፡ ብተወሳኺ ምስዳድ ጥንሲ ኣብ ዝኽልክላ ግዝኣታት ጥንሲ መስደዲ ክኒናታት ክህልው ከምዝግበር እቲ ፕረዚደንት ገሊጹ፡፡ እንተኾነ ኢድ ኣእታውነት መንግስቲ ፌደራል ምስ ግዝኣታት ናብ ካልእ ሕጋዊ ክርክር ከእትዎም ከምዝኽእል ምሁራት ይገልጹ፡፡ እቲ ነቲ ን 50 ዓመታት ዝጸንሐ ሕጊ ዝቐየረ ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ መላእ ኣመሪካ ድንጋጸ ፈጢሩ እዩ፡፡ ውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ክሳብ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ዘሎ ግዘ ምስዳድ ጥንሲ ዝፈቅድ ኮይኑ፡ ድሕሪኡ ኣብ ዘለዉ ኣዋርሕ ግን ግዝኣታት ክልከላ ክገብራ ዝፈቅድ እዩ፡፡ እቲ ውሳነ ስዒቡ ዛጊድ 13 ግዝኣታት ምንጻል ጥንሲ ከልኪለን ኣለዋ፡፡ ፕረዘዲንት ባይደን ኣብ ቀረባ ኣብ ዝካየድ መረጻ ኮንግረስ፡ ሰልፊ ዲሞክራት እንተተዓዊቱ ጥራሕ፡ እቲ ባይቶ ነቲ ሕገ መንግስታዊ መሰል ናይ ምምላስ ስልጣን ከምዝህልዎ ሓቢሩ፡፡ ምስዳድ ጥንሲ ኣብ ዝኸልከላ ግዝኣታት፡ ፖሊስ ጉዕዞ ታሪኽ ሰደድቲ ጥንሲ ኣብ ቴሌፎነንን ጉግልን ብምእላሽ ኣብ ቀይዲ ከውዕል ከምዝኽእል ስግኣታት ኣሎ፡፡ ነዚ እዩ ድማ ጉግል ካብ ቀጻሊ ሰሙን ጀሚሩ ምስ ምንጻል ጥንሲ ርክብ ዘለዎም ጉዕዞታት ዓማዊሉ ከጥፍእ ምዃኑ ገሊጹ ዘሎ፡፡","category":"መሰላት ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ceq8wxj8vl8o"} {"headline":"ህይወት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሰሜን ኮርያ፡ ማህረምትን ግዱድ ምንጻል ጥንስን","content":"ሊ ያንግ-ጆ፡ ናብቲ እትእሰረሉ ሸላ እናተፉሓኾት ምስ በጽሐት እግራ ኣጣሚራ፤ ኣእዳዋ ድማ ኣብ ልዕሊ ብርካ ገይራ ኰፍ ክትብል ተኣዚዛ። ከምዚ ኢላ ኣብ መዓልቲ ን12 ሰዓታት ክትጸንሕ ትግደድ፤ ፍሒት ክትብል ፈጺሙ ኣይፍቀደላን። ኣብ ጎኒ እቲ ዘላትሉ ሸላ [ክፍሊ] ናብ ዘለው ሰባት ሕሹኽ እንተይላ ከቢድ መቕጻዕቲ ይወርዳ። ማይ ብውሑዱ'ያ ትረክብ፤ እትበልዖ ንኡሽቶ መግቢ'ውን ይውሃባ። ኣብቲ ግዜ፡ \"ከም ሰብ ዘይኮነ ከም እንስሳ'ዩ ዝስምዓኒ ነይሩ\" ትብል። ዳርጋ ኩሉ ሰብ ከም ንቡር ዝወስዶን ዝገብሮን ብምግባራ፡ ንሰዓታት መርመራ ተገይሩላ፤ እንታይ ኣቢሳ እንተይልኩም፡ ካብ ሃገር ጥራይ እያ ወጺኣ። ብ2007፡ ሃዲማ ካብታ ሃገር ወጺኣ፤ ግን ኣብ ቻይና ተታሒዛ ተመሊሳ። ንሰለስተ ኣዋርሕ ፍርዲ እናተጸበየት ኣብ ጥቓ ዶብ ቻይና ኣብ ዝርከብ መዳጎኒ ኦንሶንግ ጸኒሓ። ኣብቲ ዝተኣሰረትሉ ሸላ ኰፍ ኢላ እንከላ፡ ቋዕ፣ ቋዕ፣ ቋዕ ዝብል ድምጺ ጫማ ናይቶም ካብ የማን ናብ ጸጋም ዝመላለሱ ዋርዲያታት እዩ ዝስማዕ። እዚ ድምጺ ርሒቑ ምስ ከደ፡ ያንግ-ጆ ምስኣ ንዝተኣሰሩ ሰባት ክተዛርብ ዕድል ትረክብ። ኣብኡ \"ካልእ ናይ ምህዳም መደባት ነውጽእ፤ ምስ ደላሎ ንራኸበሉ ገዲ ንዘራረብ። እዚኦም ሚስጥራዊ ዝርርባት'ዮም\" ትብል። ቤት ማእሰርቲ፡ ሰባት ካብ ሰሜን ኮርያ ንከይወጽኡ ዝግትእሉ እኳ እንተኾነ፡ ንያንግ-ጆ ግን ጠጠው ዘብላ ኣይነበረን። ሕጂ'ውን ካብ ሃገር ክወጽኡ ብምፍታኖም ጥራይ ፍርዲ ዝጽበዩ ብዙሓት ኣለው። ያንገ-ጆ ዳግም እትሃድመሉ መገዲ ክትውጥን ምህላዋ ስለ ዝተሰምዐ ግን ካብ መቕጻዕቲ ኣይተረፈትን። \"እቶም ዋርድያ ናብቲ ሸላ ይመጽኡ እሞ፡ ኣእዳወይ ኣንጺፎም ይሃርሙኒ፤ ሕብሩ ክሳብ ዝቕይር ይቕጥቅጡኒ። ንብዓተይ ውሕጥ ኣቢለ ኣይነብዕን፤ ካብ ሰሜን ኮርያ ክንወጽእ ዝፈተንና ሰባት ከም ክሓድቲ'ዮም ዝርእዩና\" ትብል። ወሲኻ፡ \"ኣብ ካልእ ክፍሊ ዘለው ሰባት ክህረሙ እንከለው'ውን ይስማዕ'ዩ፤ ኣነ ኣብ ቑጽሪ ሰለስተ ነይረ። ግን ኣብ ቁጽሪ 10 ዘሎ ሰብ ክውቃዕ እንከሎ ይስማዕ ነይሩ\" ኢላ። ስልታዊ መድቆስቲ ያንግ-ጆ፡ ሓንቲ ካብቶም ኣብ ውሽጢ ኣብያተ ማእሰርተ ሰሜን ኮርያ ዝፍጸሙ ግህሰት ዓለምለኻዊ ሕጋጋት ዝምልከት ኮሪያ ፊዩቸር ንዘካየዶ መርመራ ቃሎም ዝሃቡ ልዕሊ 200 ሰባት እያ። እዚ ንትርፊ ዘይተጣየሸ ትካል፡ ኣብ 148 መቕጽዒ ማእከላት፡ 597 ሰባት ኣብ ልዕሊ 785 እሱራት 5181 ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸሙ ወግዓዊ ገይሩ። እዚ መረዳእታ፡ ሓደ መዓልቲ እቶም ተሓተትቲ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ክሕግዝ ይኸውን'ዩ ብዝብል ተስፋ ኣብ ማዕከን መአከቢ ሓበሬታ ክኽዘኑ ተገይሩ'ዩ። ሰሜን ኮርያ ንዝቐርበላ ክስታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ወትሩ ትነጽጎ። ቢቢሲ፡ ኣብዚ ጉዳይ ምላሽ ክህብ ንዝኽእል ኣብ ሰሜን ኮርያ ዝርከብ ወኪል እኳ እንተረኸቦ መልሲ ግን ኣይረኸበን። ኣብ ሴኡል ሓጋዚት ዳይሬክተር ኮሪያ ፊዩቸር ሱዮን ዮ፡ ኣብ ሰሜን ኮርያ ዘሎ ስርዓት ቤት ማእሰርቲን ምስኡ ዝተሓሓዝ ግህሰትን \"ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ 25 ሚሊዮን ህዝቢ ንምድቋስ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ'ዩ\" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ። \"ኣብ ኩሎም ዘካየድናዮም ቃለ መጠይቓት እዚ፡ ኣብ ውልቃዊ ህይወት ዘሕደሮ ጽልዋ ክንዕዘብ ክኢልና ኢና። ሓንቲ፡ ሓድሽ ዝተወልደ ዕሸል ክቕተል እንከሎ ምርኣያ እናበኸየት ነጊራትና እያ\" ኢላ። ሰሜን ኮርያ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ዓለም ዝተነጸለት ሃገር ኮይና እያ። ንሰለስተ ወለዶታት ብስድራ ኪም ትምራሕ ኣላ። ዜጋታት እታ ሃገር ክኣ ነቲ ስድራን ንፕሬዝደንት ኪም ጆንግ-ኡንን ሙሉእ ውፍይነት ከርእዩ ትጽቢት ይግበሮም። ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገርን ዶባትን ጽንኩር ሓለዋ ክህሉ ገይሩ እዩ። ናይ ወጻኢ ፊልምን ድራማታትን ሓዊሱ ብዛዕባ ኣብ ዓለም ዘለው ምዕባለታት ክፈልጥ ዝፈተነ ሰብ ከቢድ ማእሰርቲ ክቕጻዕ ተደንጊጉ። እቶም ዝፍጸሙ ግህሰታት ዝምልከት ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወጽኡ ሰባት ብዝህቡዎም ምስክርነታት ይረጋገጹ'ዮም። ካብዚኦም፡ ብዙሓት ክስታት ጾታዊ ዓመጽን ካልኦት ዓይነታት ጾታዊ ግህሰትን ይቐርቡ። ግዱድ ምንጻል ጥንሲ ክገብራ ዝተገደዳ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዘለዋ ግዳያት ይዛረባ። ሓንቲ ምስክር ዓይኒ፡ ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ማእከል ናይ ሸሞንተ ወርሒ ነፍሰ ጾር እናሃለወት እቲ ጥንሲ ክትንጽሎ ከም ዝተገደደት ተዛሪባ። እቲ ቈልዓ ብህይወት እኳ እንተተረፈ ናብ ማይ ዝሓዘ ገንኢ ከም ዘእተውዎ ሓቢራ። ኣብዚ መርሸንቲ'ውን ከም ዝፍጸም ዝገለጹ ሓሙሽተ ጉዳያት ኣለው። ያንግ-ጆ ንሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ተኣሲራ። \"ፍርደይ ክሳብ ዝውድእ ብህይወት ክተርፍ ድየ ዝብል ስግኣት ነይሩኒ\" ኢላ። ሳሮም'ውን፡ ብ2007 ኣብ መዳጎኒ ማእከል ኦንሶንግ ተኣሲራ ነይራ፤ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እታ ሃገር ዘጋጥም ማህረምቲ ከቢድ ምዃኑ ትዛረብ። \"ብዕንጸይቲ ይሃርሙኻ፤ ጠጠው ኢልካ ኣቲኻ እናተፍሓኩዃ ትወጽእ። ናብ ካልኦት ዝተሃረሙ ሰባት ገጸይ መሊሰ ክርእይ ኣይክእልን፤ ምኽንያቱ እቲ በሰላ ክትርእዮ እዮም ዝገብሩኻ። በዚ መንፈስኻ ይቐትሉዎ\" ትብል። ወሲኻ፡ \"መገዲ እንተሃልዩ፡ ክቕጽዑ'የ ዝደሊ\" ብምባል ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዘጋጥሙዋ ዝነበሩ ነገራት ካብ ሕልንኣ ከም ዘይወጽኡ ትዛረብ። ሕጂ ኣብ ደቡብ ኮርያ ሓድሽ ህይወት ጀሚራ ኣላ። እዞም ጉዳያት ናብ ፍርዲ ምውሳድ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል፤ ግን ድማ እቲ መርመራ ክኢላታት ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ኣሳቲፉ ኣሎ። እቲ መረዳእታ ድማ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ቕቡልነት ዘለዎን ብቐሊሉ ዝርከብን ኮይኑ ተዳልዩ ኣሎ። ሳሮምን ያንግ-ጆን እዚ እቲ ዝምነይኦ ፍትሒንምርካብ ሓደ ስጉሚ ንቕድሚት ዝወስድ ክኸውን ተስፋ ኣለወን።","category":"መሰላት ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60899100"} {"headline":"ቱኒዝያ፡ ፈላሚት ጓል ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኣብ ዓረባዊ ዓለም፡ ለውጢ ኣምጺኣ ዶ?","content":"ናጅላ ቦደን፡ ኣብ ሃገራት ዓረብ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ካብ እትኸውን ንደሓር፡ ኣብ ቱኒዝያ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ መራሕቲ ፖለቲካ ዝጸንሐ ኣመለኻኽታ፡ ርኡይ ለውጢ ኣርእዩ እዩ። እዚ ማለት ግን ናብራ ደቂ ኣንስትዮ ቱኒዝያ ብዓቢኡ ተመሓይሹ ኣሎ ማለት ኣይኮነን - ትብል ነዚ ጽሑፍ ዘሰናደአት፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኒውስ ዓረብ- ጀሲ ዊልያምስ። ቦችራ ቤልሃጅ ሕሚዳ፡ ምሉእ ዕድሚኣ ንጾታዊ ማዕርነትን ንዲሞክራስን ኣብምቅላስ እያ ኣሕሊፋቶ - \"እቲ ሓደ ብዘይ እቲ ካልእ ክዕወት ኣይኽእልን\" ድማ ትብል። ንሳ፡ ኣብቲ ኣብ 2011 ዝተኻየደ፡ ንውልቀ-መላኺ ፕረዚደንት ቤን ዓሊ ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝደረኾ፡ ህዝባዊ ናዕቢ ዝተሳተፈት ኰይና፡ ብድሕሪኡ እታ ሃገር፡ ሕጊ ጾታዊ ማዕርነት ኣጽዲቓ እያ። እቲ ሓድሽ ሕጊ፡ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ኣብ ዝርዝር ሕጹያት ተወዳደርቲ ባይቶ፡ ማዕረ ቁጽሪ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ከቕርቡ ይጠልብ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣቢሉ’ዩ ወ\/ሮ ቤልሃጅ ሕሚዳ፡ ‘ኒዳ’ ናብ ዝተብሃለ ሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ ቱኒዝያ ዝተጸንበረት። ኣብ ቱኒዝያ፡ ንመሰል ማዕርነት ትቃለስ ጓል ኣንስተይቲ ፖለቲከኛ ምዃን ግን ቀሊል ኣይኮነን። ንሳ፡ \"ምግፋዕ፣ ጎስጓሳት ጸለመ፡ ናይ ሞት ምፍርራሕን ጻውዒታት መቕተልትን ኣጋጢሙኒ\" ትብል። ካብ 2012 ጀሚራ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ መንግስቲ ከም ዝነበረት ድማ ትዛረብ። ሕዚ ግና ቱኒዝያ ካብ ካልኦት ሃገራት ዓረብ ብዝሓሸ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ስልጣን ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዋ ኣረኣእያ ይልወጥ ኣሎ። ዓረብ ባሮሜተር ኣብ ክንዲ ቢቢሲ ኒውስ ዓረብ ዘካየዶ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ ኣብ ቱኒዝያ፡ ብዝሒ እቶም፡ ‘ደቂ ተባዕትዮ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ዝሓሹ ፖለቲካዊ መራሕቲ እዮም’ ኢሎም ዝኣምኑ ሰባት፡ ዝለዓለ ምንቁልቋል ከምዘርኣየ ኣረጋጊጹ። ካብ 2018 ጀሚሩ፡ ብዝሒ በዚ ኣበሃህላ ዝሰማምዑ ሰባት፡ ብ16 ሚእታዊት ምንካዩ ተራእዩ - ካብ 56 ናብ 40 ሚኢታዊት ወሪዱ። እቲ መጽናዕቲ፡ ቱኒዝያ ንፈለማ እዋን ጓል ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር - ተመራማሪት ስነ-ምድሪ ናጅላ ቦደን-  ኣብ ጥቅምቲ 2011 ብፕረዚደንት ካይስ ሳይድ ናብዚ ስልጣን ኣብ ዝተመዘዘትሉ እዋን ከባቢ እዩ ተኻይዱ። መስራቲት ዓረብ ባሮሜተርን፡ ዲን ናይቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ፡ ቤት ትምህርቲ ህዝባውን ዓለምለኻውን ጉዳያት ፕሪንስተን ዝዀነት፡ ኣማነይ ጀማል፡ እዚ ለውጢ፡ እታ ሞዴል መራሒት ጓል ኣነስተይቲ፡ ብዝፈጠረቶ ጽልዋ ዝመጽአ ምዃኑ እያ ትኣምን ። ንሳ፡ \"ቅድሚ እዚ ሽመት፡ ኣብ ህዝባዊ ርእይቶ ኣብ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ፡ ዓቢዪ ለውጢ ኣይረኣናን\" ትብል። ሚስ ቤልሃጅ ሕሚዳ ግን፡ ሽመት ቀዳመይቲ ሚኒሰተር ቦውደን፡ \"ክልተ ጫፍ ዘለዎ ሰይፊ\" እዩ ኢላ ትገልጾ። \"ሓለፋታት ደቂተባዕትዮ ምውጋድ” ብተምሳል ኣገዳሲ'ኳ እንተነበረ፡ \"ንመሰላትን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ዘለዋ ተወፋይነት ትሑት ምዃኑ፡ ከም ውድቀት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህዝባዊ ጉዳያት ክረአ ይኽእል እዩ\" ትብል። ኣብ ሂዩማን ራይትስዎች ተመራማሪት ዝኾነት ኬንዛ ቤን ኣዞዝ ብወገና፡ ዘዘራረበተን ተጣበቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ቱኒዝያ፡ ሽመት እታ ቀዳመይቲ ሚኒሰተር ወይዘሮ፡ \"ጭቡጥ ዓወታት” ኣምጺኡ ኢለን ከምዘይኣምና ትዛረብ። \"ብመንጽር መሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈለየ ተወሳኺ ነገር ኣይተራእየን\" ትብል። መንግስቲ ቱኒዝያ፡ ቢቢሲ ንዘቕረበሉ ሕቶ ምላሽ ኣይሃበን። ፕረዚደንት ስዒድ፡ ኣብቲ 24 ኣባላት ዝሓቖፈ ካቢነ ሚኒስተራት ንሚስ ቦደን ሓዊሱ 10 ደቂ ኣንስትዮ ኣካቲቱ ኣሎ። ተጣበቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ፡ እቲ ፕረዚደንት ንሃገራዊ ባይቶ ምፍራስ ሓዊሱ፡ ነቲ ምልካዊ ተግባራቱ ንምሽፋን፡ ‘ገጽታ ደቂ ኣንስትዮ’ ይጥቀመሉ ከይህሉ ስክፍታ ኣለወን። ሚስተር ስዒድ ኣብ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ብዘለዎ ዓቃባዊ ኣረኣእያ ዝፍለጥ እዩ - ኣብ ውርሻ ጾታዊ ማዕርነት ምቅዋሙ ይቕጽል ኣሎ። ደቂ ተባዕትዮ ቱኒዝያ ድማ ክሳብ ሕጂ ከም መራሒ ስድራቤት ብሕጊ ዝድገፍ ዓባልነት ኣለዎም። ኣብ ቱኒዝያ ዝወሃብ ውርሻ ኣብ እስላማዊ ሕጊ ሸሪዓ ዝተመርኮሰ ኰይኑ፡ ብህይወት ዘሎ ወዲ ብሓፈሻ ካብታ ብህይወት ዘላ ጓል ኣንሰተይቲ፡ ዕጽፊ ብጽሒት ክረክብ መሰል ኣለዎ። እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ን57 ዳያኑ፡ ብሰፊሕ ገበናት ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ካብ ስልጣን ምስ ኣባረሮም ቁጥዐ ፈጢሩ ኣሎ። ሓንቲ ካብኣቶም፡ ብዛዕባ ብሕታዊ ህይወታ ዝርዝር ሓበሬታ ብኢንተርነት ዝተዘርጋሓ፡  ጓል ኣንስተይቲ ዳኛ፡ ‘ዝሙት ፈጺማ’ ዝብል ክስታት ዝቐረባ ዀይኑ፡ ብፖሊስ መርመራ-ድንግልና ክትገብር ከምዝተገደደት ይዝረብ። ናይ ክብሪ ፕረዚደንት፡ ማሕበር ደያኑ ቱኒዝያ፡ ራውዳ ኣል-ቃራፊ፡ ነቲ ናይ ምጽላም ወፍሪ ብምኹናን፡ \"እዛ ሰበይቲ፡ በቲ ዝለዓለ ኣካል’ቲ መንግስቲ ክብራ እንተተጎዲኡ፡ ካልእ መን እዩ ከድሕና?\" ክብል ይሓትት። እቲ ዝተጠቕሰ መጽናዕቲ፡ ኣብ ቱኒዝያ  61% ሰባት - ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ወሲኹ ኢሎም ከምዝኣምኑ’ውን ኣረጋጊጹ፤ ዋላ'ኳ ኣብ 2017 ንዕኡ ንምምካት ሕጊ እንተተጸደቐ። ንደቂ ኣንስትዮ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ከምዝኾነ ዘመልክት፡ እታ ተባዕ ተዛራቢት፡ መራሒት ፖለቲካዊ ሰልፊ፡ ዝዀነት ኣቢር ሙሲ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጎ ኣኼባ ፓርላማ ብኽልተ ደቂ ተባዕትዮ ኣባላት ባይቶ ተጸፊዓ ነይራ። ርግጽ፡ ክልቲኦም እቶም ኣባላት፡ ካብ ሰለስተ ተኸታተልቲ ኣኼባታት ተኣጊዶም እዮም። እቲ ሕጂ ዝፈረሰ ፓርላማ ቱኒዝያ፡ ኣብ 2017 ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ንምምካት ሕጊ ኣጽዲቑ ነይሩ። ሕጊ 58 ተባሂሉ ይፍለጥ። ኣብቲ እዋን ታሪኻዊ ተባሂሉ ብምንባሩ፡ ንቱኒዝያ ካብ ብዙሓት ጎረባብታ ቀዲማ ተንኢዳ ነይራ። እንተዀነ፡ - ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ንምምካት ፍሉያት ኣሃዱታት ፖሊስ ምቛም ሓዊሱ - ገለ ዓወታት እኳ እንተተራእየ፡ ኣብ ኣተገባብራ እቲ ሕጊ ዓበይቲ ድኽመታት ከምዘለዉ ብዙሓት ሰባት ይምጉቱ። ብሓፈሻኡ፡ ኣብ ሕጊ ቱኒዝያ፡ ደቂ ተባዕትዮ መራሕቲ ስድራቤቶም ኮይኖም ዝቐጸሉ ዀይኖም፡ ዝበዝሕ ማሕበራዊ ረብሓ ናብኦም ዘዘንበለ እዩ። \"እቲ ቁጠባዊ ሓይሊ ኣብ ኢድ ሰብኣይ እዩ ዝጸንሕ\" ትብል ወ\/ሮ ቤን ኣዞዝ። ሚስ ቤን ኣዞዝ፡ ዋላ'ኳ እዚ ዘተሓሳስብ ሕማቕ ገጽታ እንተሃለወ፡  ብፍላይ ሳላ ስራሕን መሃዛይነትን፡ ጉጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ፡ ንሓዋሩ “ልዑል ተስፋ ከምዘለዋ\" ትዛረብ። ወ\/ሮ ቤልሃጅ ሕሚዳ ብወገና፡ ቱኒዝያ “ንምንባር ነጻን ሓራን\" ንክትከውን ዝግበር ወፍሪ፡ \"ብሓደ ሰብ ዘይኮነስ፡ ብኹሎም እዛ ሃገር ዝሓሸ ይግብኣ ኢሎም ብዝኣምኑ\" ክካየድ ከምዘለዎ ትዛረብ።","category":"መሰላት ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1k057rprgo"} {"headline":"ዓበይቲ ትካላት ኣመሪካ ወጻኢታት መጓዓዝያ ጥንሲ ዝሰዳ ሰራሕተኛታቶም ክሽፍኑ እዮም","content":"ብሚልዮን ዝቝጸራ ደቂ ኣንስትዮ ኣመሪካ፡ ጥንሲ ናይ ምስዳድ መሰለን ንምክልኻል ስዒቡ፡ ከም ደዝኒ፡ ጄፒ ሞርጋንን ወናኒ ፌስቡክ ዝዀነ ሜታን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ትካላት ኣመሪካ፡  ምስ ጥንሲ ምስዳድ ንዝተሓሓዙ ወጻኢታት መጓዕዝያ ሰራሕተኛታቶም ከምዝሽፍኑ ኣፍሊጦም። እቶም ትካላት፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ፡ መሰል ምንጻል ጥንሲ ንዝፈቅድ ሕጊ እታ ሃገር ድሕሪ ምስራዙ እዮም ነዚ ስጕምቲ ዝወስዱ ዘለዉ። ውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ኵለን ግዝኣታት ኣመሪካ ንመስርሕ [ምንጻል] ክኽልክላ መንገዲ ዝጸርግ እዩ። ከም ኣማዞን ዝኣመሰሉ ካልኦት ትካላት'ውን ንሰራሕተኛታቶም ተመሳሳሊ ሓገዝ ከም ዝገብሩ ምግላጾም ዝዝከር እዩ። ድሕሪ እቲ ውሳነ ብዙሓት ትካላት፡ ነተን ጥንሲ ንምስዳድ ኢለን ካብ ዝነብራሉ ግዝኣት ክንቀሳቐሳ ዝግደዳ ደቂ ኣንስትዮ ወጻኢታት መጓዓዓዝያአን ብመደባት ጥዕና ኢንሹራንስ ኣቢሎም ከምዝሽፍኑ ኣረጋጊጾም ኣለዉ። ደዝኒ፡ ውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታቱ ዘስዕቦ ጸቕጢ ከም ዝተረደአን ሰራሕተኛታቱ ተመጣጣኒ ኣገልግሎት ሓለዋ ጥዕና ክረኽቡ ከምዝገብርን ንሰራሕተኛታቱ ምግላጹ ኣፍሊጡ ኣሎ። እቲ ትካል ኣብታ ካብ 1 ሰነ ጀሚሩ፡ ልዕሊ 15 ሰሙን ዝገበረ ጥንሲ ምንጻል ከልኪላ ዘላ ፍሎሪዳ፡ ኣስታት 80 ሽሕ ሰራሕተኛታት ኣለዉዎ። ዓርሞሸሽ ትካል ባንክ፡ ጄፒ ሞርጋን ብተመሳሳሊ፡ “ሕጋዊ ምንጻል ጥንሲ” ሓዊሱ ሰራሕተኛታቱ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምርካብ ዘውጽእዎ ወጻኢታት ከም ዝሽፍን ምግላጹ ወኪል ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ። ፍሉጥ ኣመሪካዊ ባንክ ኢንቨስትመንት ጎልድማን ሳችስ ብተመሳሳሊ፡ ካብ 1 ሓምለ ጀሚሩ ናብ ካልእ ግዝኣት ከይደን ጥንሲ ክንጽላ ናይ ዝደልያ ሰራሕተኛታቱ ወጻኢታት መጓዓዝያ ከምዝሽፍን ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣሕታሚ ቬግ ኮንደ ናስት፡ ኣፍራዪ ጂንስ ለቪ ስትራውስ፡ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝህቡ ሊፍትን ኡበርን እውን ተመሳሳሊ ስጕምቲ ከም ዝወስዱ ኣፍሊጦም ኣለዉ። ኣማዞን፡ ሪቪው ዌብሳይት የልፕን ፍሉጥ ባንክ ሲቲግሩፕን ቅድሚ ውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ እዮም ኣብ ዝነብራሉ ግዝኣት ጥንሲ ምንጻል ንዘይክእላ ሰራሕተኛታቶም ናይ መጓዓዝያ ወጻኢ ከምዝሽፍኑ ዘፍለጡ። ዋና ፈጻሚ የልፕ፡ ጀረሚ ስቶፕልማን፡ ውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ፡ “ንጥዕና ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ” ብምባል “መራሕቲ ትካላት ንግዲ ድምጾም ከስምዑ ይግባእ” ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። እቲ ሕጊ ኣብ ኣመሪካ ምሉእ ብሙሉእ ምንጻል ጥንሲ ዝኽልክል ዘይኮነስ፡ ነፍስወከፍ ግዝኣት፡ መዓስን ብኸመይን ከምእተፍቅድን ትኽልክልን ክትውስን ዕድል ዝህብ እዩ። ዛጊት 13 ግዝኣታት ኣብ ምንጻል ጥንሲ ክልከላታት ዝገብሩ ሕጊታት ዘጽደቓ ኰይነን፡ ልዕሊ 20 ድማ ተበጻሕነት እቲ ኣገልግሎት ንምቕናስ ይንቀሳቐሳ ኣለዋ። ወጻኢታት መጓዓዝያ ምንጻል ጥንሲ ሰራሕተኛታቶም ከምዝሽፍኑ ዝገለጹ ትካላት፡ ብጐስጎስቲ ኣንጻር ምንጻል ጥንሲ ዝዀኑ ኣባላት ሰልፊ ሪፐብሊካን ሓያል ተቓውሞ ከም ዝበጽሖም ይግመት። ጉዳይ ምንጻል ጥንሲ ንህዝቢ ኣመሪካ ኣብ ክልተ ዝመቐለ ጉዳይ እዩ። ኣብ ቀረባ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ 61 ሚእታዊት ዓበይቲ ኣመሪካውያን ምንጻል ጥንሲ ኵሉሻብ ወይ መብዛሕትኡ እዋን ክፍቀድ ዝድግፉ ኮይኖም፡ 31 ሚእታዊት ድማ ክኽልከል ወይ መብዛሕትኡ እዋን ዘይሕጋዊ ክኸውን ይድግፉ።","category":"መሰላት ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cj5re2rgjgro"} {"headline":"ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ሕገ መንግስታዊ መሰል ምንጻል ጥንሲ ኣቋሪጹ","content":"ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነቲ ን50 ዓመታት ዝጸንሐ ውሳነ ሮይ ቪ ዋይድ ድሕሪ ምፍራሱ፡ ኣብ ኣሜሪካ ብሚልዮናት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ ሕገ መንግስታዊ መሰል ምንጻል ጥንሲ ክስእና እየን። እቲ ብይን፡ ግዝኣታት’ታ ሃገር ነቲ ኣገባብ ንኽእግዳ መንገዲ ዝኸፍት እዩ። ፍርቀን፡ ሓደስቲ ገደባት ወይ እገዳታት ከተኣታትያ ትጽቢት ይግበር። 13 ድማ፡ ድሮ ንጥንሲ ምንጻል ብቐጥታ ካብ ሕጊወጻኢ ንምግባር ‘ትሪገር’ ዝበሃሉ ሕግታት ኣጽዲቐን ኣለዋ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን \"ዘሕዝን ጌጋ\" ክብል ብምግላጽ፡ ግዝኣታት ነቲ ኣገባብ ዘፍቅድ ሕጊ ከውጽኣ ኣተሓሳሲቡ። ነዚ ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ስዒቡ፡ ንኣስታት 36 ሚልዮን ኣብ ዕድመ ወሊድ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ፡ መሰል ምንጻል ጥንሲ ክቋረጽ ዝገብር ዘሎ ምዃኑ፡ አገልግሎት ምንጻል ጥንሲ ዝህብ ሓደ  ትካል ጥዕና ዘካየዶ መጽናዕቲ ይሕብር። ካብ ክልቲኡ ወገን ዝመጹ ሰልፈኛታት ኣብ ኣፍደገ ቤትፍርዲ ተኣኪቦም ነይሮም፡ ፖሊስ ድማ ኣብ ክልተ ፈልዮም፡ ኣብ መንጎኦም ጠጠው ኢሎም ተራእዮም። ሓንቲ ተቓላሲት ኣንጻር-ምንጻል-ጥንሲ፡ ነቲ ውሳነ ብምንኣድ \"ተሓጒሰ\" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ። \"እዚ ሕጊ እታ ሃገር ምግባር ጥራይ እኹል ኣይኮነን። ንህይወት ዝድግፍ ክኸውን ንምግባር፡ ብተግባር ምንጻል ጥንሲ ዘይሕሰብ ምግባር'ዩ\" ትብል። ኣብ ስግር እቲ ምፍልላይ፡ ደገፍቲ ምርጫ ምንጻል ጥንሲ ድማ፡ ነቲ ውሳነ \"ዘይሕጋዊ\"፡ ከምኡ’ውን \"ፋሽሽትነት\" ክብሉ ነቒፎሞ። ጋዜጠኛ ቢቢሲ፡ ሳማንታ ግራንቪል፡ኣብ ግዝኣት ኣርካንሳስ ካብ ዝርከብ ናይ ምንጻል ጥንሲ ክሊኒክ ‘ሊትል ሮክ’ ኰይና ከም ዝጸብጸበቶ፡ እቲ ብይን ኣብ ዝተለጠፈሉ እዋን፡ ማዕጾታት ክፍሊ ሕሙማት ተዓጽዮም፡ ቅድሚ ክትወጽእ ምሕታታ ድማ፡ ካብ ርሑቕ ድምጺ  ብኽያት ክስማዕ ከምዝከኣለ ገሊጻ። ግዝኣት ኣርካንሳ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ትሕቲ ትሪገር ሕጊ [ማለት እውን እቲ ውሳነ’ቲ ቤት ፍርዲ ብቐጥታ ተግባራዊ ዝኾነሉ ኣገባብ] እግዛእ እያ። እቲ ኣብ 1973 ዝጸደቐ፡ ሕጊ ‘ሮይ ቪ ዋይድ’ ብዝብል ዝፍለጥ ጉዳይ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሸውዓተ ንክልተ ድምጺ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ጥንሳ ናይምቁራጽ መሰል ብሕገ መንግስቲ ኣመሪካ ከም ዝተሓለወ ውሳነ ሂቡ ነይሩ። እቲ ውሳነ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣመሪካ ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ ጥንሰን ናይ ምንጻል ጥንሲ ፍጹም መሰል ዝሃበ ኮይኑ፡ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ግን ውሱን ገደብ ይገበር፡ ኣብ ሳልሳይ ብርኪ ድማ ፍጹም ክልከላ ክግበርፈቒዱ ነይሩ። ካብ ኡንደሓር ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ግን፡ ኣንጻር-ምንጻል ጥንሲ ዝኾኑ ውሳኔታት በብቑሩብ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ዝኾኑ ግዝኣታት፡ እቲ ሕጊ እናተሸርሸረ እዮዩ መጺኡ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብዚ ሕዚ ዝገብሮ ዘሎ ኣኼባ፡ ድሕሪ 15 ሰሙናት ሚሲሲፒ ንእገዳ ምንጻል ጥንሲ ዝፈታተን ጉዳይ ዶብስን ትካል ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ ጃክሰንን፡ ክምርምር እዩ ጸኒሑ። እቲ ዓቃባውያን ዝበዝሑዎ ቤት ፍርዲ፡ ንመንግስቲ ዝድግፍ ውሳነ ብምሃብ፡ ነቲ ቅዋማዊ መሰል ምንጻል ጥንሲ ብኣድማዒ መንገዲ ኣቋሪጽዎ። ሓሙሽተ ዳያኑ ብጽኑዕ ደጊፎምዎ፡ ሳሙኤል ኣሊቶ፡ ክላረንስ ቶማስ፡ ኒል ጎርሱች፡ ብሬት ካቫኖን ኤሚ ኮኒ ባሬትን። ላዕለዋይ ዳኛ ጆን ሮበርትስ፡ ንእገዳ ሚሲሲፒ ክድግፍ እንከሎ፡ ‘ካብዚ ንላዕሊ ክስጉም ኣይደልን’ ክብል ፍሉይ ርእይቶ ጽሒፉ። እቶም ምስ ዝበዝሑ ዘይተሰማምዑ ሰለስተ ዳያኑ - ስቲቨን ብሬየር፡ ሶንያ ሶቶማዮርን ኤሌና ካጋንን - \" - ነዚ ቤት ፍርዲ፡ ካብኡ ንላዕሊ ግን፡ ነተን ሎሚ መሰረታዊ ቅዋማዊ ሓለዋ ዝሰኣና ብዙሓት ሚልዮናት ኣመሪካውያን ደቂ ኣንስትዮ ዘሕዝን\" ክብሉ ጽሒፎም። እዚ ናይ ሎሚ ዓርቢ ውሳነ፡ነቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ናይ ገዛእ ርእሱ ሕጋዊ ቅድመ-ኩነት ብጅምላ ምግልባጥ - ኣዝዩ ሳሕቲ ዝረአ ስጉምቲ - ኮይኑ፡ ነታ ሃገር ዝኸፋፍሉ ፖለቲካዊ ውግኣት ከጣይሽ ተኽእሎ ኣሎ። ኣብተን ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ዝምልከት ርእይቶታት ብቐረባ ዝተመቓቐለለን ግዝኣታት - ከም ፔንስልቨንያ፡ ሚቺጋንን ዊስኮንሲንን - ሕጋውነት ናይቲ ኣገባብ ብመረጻ ምርጫ ክውሰን ይኽእል እዩ። ኣብ ካልኦት ድማ፡ እቲ ውሳነ፡ ውልቀሰባት ብምንጻል ጥንሲ ካብ ግዝኣት ወጻኢ ክኸዱ ድዮም ወይስ ብኣገልግሎት ፖስታ ኣቢሎም መድሃኒት ምንጻል ጥንሲ ክእዝዙ ይኽእሉ ድዮም ዝብሉ ጉዳያት ሓዊስካ፡ ሓድሽ ዙርያ ሕጋዊ ክትዓት ከንቅል  ይኽእል እዩ ዝብል ግምታት ኣሎ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ነቲ ብይን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብምኹናን፡ ኣብተን ዝተኣገደለን ግዝኣታት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ናብተን ዘይተኣገደለን ክገሻ ሓቢሩ። ካሊፎርንያ፣ ኒው ሜክሲኮን ሚቺጋንን ሓዊሱ ዲሞክራስያውያን ኣመሓደርቲ ሓያሎ ግዝኣታት ድሮ መሰላት ምንጻል ጥንሲ ኣብ ውሽጢ ቅዋሞም ንምስፋር መደብ ከምዘለዎም ኣፍሊጦም ኣለዉ።","category":"መሰላት ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c6p3n3jdq56o"} {"headline":"ጓል ኢሎን መስክ ሽማን ጾታኣን ትቕይር ኣላ","content":"ጓል ኢሎን መስክ፡ ድሕሪ ሕጂ “ብዝዀነ መገዲ ወይ መልክዕ ምስ ኣቦይ ክራኸብ ኣይደልን” ብምባል ሽማን ጾታኣን ንምቕያር ሕጋዊ መስርሕ ጀሚራ። እዛ ጓል 18 ዓመት ‘ትራንስጀንደር’ ኰይና ክትጸንሕ እንከላ፡ ድሕሪ ሕጂ ጓል ኣንስተይቲ ክትኸውን ከም እትደልን ቪቪያን ጂና ዊልሰን ብዝብል ሽም ክትጽዋዕ ከም እትደልን ገሊጻ። ንሳ፡ ዛቪር ኣሌክሳንደር መስክ ብዝብል ክትጽዋዕ ዝጸንሐት ኮይና፡ ሽማን ምስክር ወረቐት ልደታን ንምቕያር ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ሳንታ ሞኒካ እያ ምንቅስቓስ ጀሚራ ዘላ። ጠለብ እዛ ውልቀሰብ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ከም ዝጀመረ ሰነዳት ቤት ፍርዲ የመልክቱ። እንተዀነ፡ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ኣብ መንጐ ኣቦን ጓልን ተፈጢሩ ዘሎ ቅርሕንቲ ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ የለን። ወናኒ ቴስላን ስፔስ ኤክስን ቢልየነር ኢሎን መስክ ኣብዚ ጉዳይ ዝሃቦ ርእይቶ የለን። መስክ፡ ንኣደ ቪቪያን ካናዳዊት ጸሓፊት ጀስቲን ዊልሰን፡ ካብ 2000 ክሳብ ዝተፋትሕሉ ግዜ 2008 [ኣ. ኣ] ተመርዕዩዋ ነይሩ። በዅሪ ወዶም ኔቫዳ ብ2002 ዝተወልደ ኰይኑ፡ ኣብ ውሽጢ 10 ሰሙናት ብሃንደበት ሞይቱ። እቶም መጻምዲ፡ ክልተ መናቱን ካልኦት ሰለስተ መናቱን ቈልዑ’ውን ኣለውዎም። መስክ ድማ ካልኦት ክልተ ቈልዑ ኣለውዎ። ደቁ፡ ዋላ’ውን ኣቦኦም ፍሉጥ ሰብ እንተዀነ ንባዕሎም ብዙሕ ክፍለጡ ኣይገበሩን። ብሰንበት ኣብ ዝተኸብረ መዓልቲ ኣቦታት፡ መስክ ንዅሎም ደቁ ከም ዝፈቱ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ነይሩ። ጓሉ ካብኡ ክትርሕቕ ምውሳና ንዝምልከት ግን ዛጊት ዝሃቦ ርእይቶ የለን።","category":"መሰላት ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cg39g82rnjpo"} {"headline":"መሰላት ምንፃል ጥንሲ ዝምልከት ሕጊ ኣሜሪካ ክቕየር’ዶ ይኾን?","content":"ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ 'ሮ ቨርሰስ ዋድ ሮ' ተባሂሉ ዝፅዋዕ መሰላት ምንፃል ጥንሲ ዝምልከት ሕጊ ክቕይር ከምዝኽእል ተገሊፁ፡፡ ኣብ መላእ ኣሜሪካ ዝርከባ ብሚልዮናት ዝቝፀራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ምንፃል ጥንሲ ሕጋዊ መሰል ክስእና ከምዝኽእላ ካብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ሰሊኹ ዝወፀ ሰነድ የመልክት። ብ1973 ዝተገብረ ውሳነ ስዒቡ ኣብ ኣሜሪካ ምንፃል ጥንሲ ሕጋዊ እንትኾን ሕዚ ግና ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ነቲ ሕጊ ከፍርስ ተዳልዩ ከምዝርከብ እቲ ኣብ ፖሊቲኮ ዝተሓትመ ሰነድ ይሕብር። ደያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ መወዳእታ ሰነ ወይ መጀመርታ ሓምለ ብይን ከምዝህቡ ትፅቢት ይግበር ኣሎ። እቲ ቤት ፍርዲ እቲ ብ1973 ዝተወሰነ ብይን እንተፍሪስዎ ክፍለ-ግዝኣታት \/ስቴትስ\/ እንተ ደልየን ምንፃል ጥንሲ ክእግዳ ክፍቀደለን እዩ። ከምዚ እንተኾይኑ ድማ ምንፃል ጥንሲ ዳርጋ ኣብ ፍርቂ ግዝኣታት ኣሜሪካ ከምዝእገድ ትፅቢት ይግበር። እኳ ደኣስ ዓሰርተ ሰለስተ ዝኾና ክፍለ-ግዝኣታት ምንፃል ጥንሲ ብኡንብኡ ዝእግድ ሕግታት ንኽወፅእ ዘለኣዕል ሕጊ ኣውፂአን ኣለዋ። እተን ካልኦት እውን ብቕልጡፍ ሕግታት ከውፅኣ ይኽእላ እየን። ኣስታት 36 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ ምንፃል ጥንሲ ክስእና ከምዝኽእላ ፕላንድ ፓረንትሁድ ዝብሃል ንምንፃል ጥንሲ ዘዳሉ ትካል ክንክን ጥዕና ዝገበሮ መጽናዕቲ የመልክት። ሱዛን ቢ. ኣንቶኒ ሊስት ዝኣመሰሉ ጕጅለታት ጸረ ምንፃል ጥንሲ ነዚ ዜና ብሓጐስ ተቐቢሎምዎ ኣለዉ። \"እቲ ሕጊ ብሓቂ እንተ ድኣ ተቐይሩ ስራሕና ነቶም ዘይተወልዱ ሕፃናት ዝሓሸ ዕቝባ ኽረኽቡ ሓባራዊ ስምምዕ ምህናፅ እዩ ዝኸውን\" ይብል። እቲ \"1ይ ንድፊ\" ዝብል እተጻሕፎ ሰነድ መብዛሕትኡ ናይ እቲ ቤት ፍርዲ ኣረኣእያ ዘንጸባርቕ ኢዩ ዝመስል። እቲ ሰነድ ብዳኛ ሳሙኤል ኣሊቶ ከምተጻሕፈን ብ10 ለካቲት ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ፍርዲ ከምተዘርግሐን ፀብፃብ ፖሊቲኮ ይሕብር። እንተዀነ ግን ደያኑ ኣቐዲሞም ኣብቲ ናይ ምድላው መስርሕ ኣረኣእያኦም ቐይሮም ስለዝነበሩ እቲ ሰነድ ናይ መወዳእታ ርእይቶ ይኹን ኣይኹን ንፁር ኣይኰነን። እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርድን ዋይት ሃውስን ክሳዕ ሕዚ ሓሳብ ኣይሃቡን። እዚ ሰኑይ ምሸት ዝተሓትመ ፅሑፍ ግና ብኡንብኡ ካብ ደሞክራስያውያን ሓያል ተቓውሞ ኣልዒሉ እዩ። እቲ ፀብፀብ ሓቂ እንተ ዀይኑ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ \"ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመት እቲ ዝዓበየ ቀይድታት ንመሰላት ክትግብር ተዳልዩ ኣሎ\" ብምባል ምርኡያት ደሞክራስያዊ ፖለቲከኛታት ናንሲ ፔሎሲን ቹክ ሹመርን ብሓባር ምላሽ ሂቦም። ከም ካሊፎርንያ፣ ኒው ሜክሲኮን ሚሺጋንን ናይ ዝኣመሰላ እተፈላለያ ደሞክራስያዊ ክፍለ-ግዝኣታት ኣመሓደርቲ ግና ዋላ እውን እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ሕጊ እንተፍረሶ መሰላት ምንፃል ጥንሲ ከምዘኽብሩ ኣፍሊጦም ኣለዉ። ኣመሓዳሪ ካሊፎርንያ ጋቪን ኒኮም \"[ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ] ንመሰላት ምንፃል ጥንሲ ክሕሉ እዩ ኢልና ክንኣምኖ ኣይንኽእልን፣ ስለዚ ባዕልና ኽንሕልዎ ኢና\" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ኣሎ። እቲ ፖሊቲኮ ዝትበሃለ ጋዜጣ ነቲ ሰነድ ምሉእ ብምሉእ እዩ ኣሕቲምዎ። ዳኛ ኣሊቶ ዝተዛረበቶ ርእይቶ እውን ሓዊሱ ጠቒሱ - \"ሮ [እቲ ሕጊ] ካብ መጀመርታ ጀሚሩ ኽቱር ጌጋ ኢዩ ነይሩ። እቲ ዝቐረበ መረዳእታ ኣዝዩ ድኹም እዩ። እቲ ውሳነ ኸኣ ጐዳኢ ሳዕቤን ነይርዎ። ንምንጻል ጥንሲ ዚምልከት ጕዳይ ብደረጃ ሃገር ስምምዕ ካብ ምምፃእ ክትዕ ዘነሃሃረን ምክፍፋልን ዝፈጠረን እዩ\" ይብል። ተጻባእቲ ጕጅለታት ሰሉስ ኣብ ከባቢ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሰልፍታት እንትገብሩ እቶም ፀረ ምንፃል ጥንሲ ዝዀኑ ተቓወምቲ ድማ \"[እቲ ሕጊ ክፈርስ ኣለዎ\" እንትብሉ ደገፍቲ መሰላት ምንፃል ጥንሲ ኸኣ ብወገኖም \"ምንፃል ጥንሲ ኽንክን ጥዕና እዩ\" ክብሉ ተሰሚዖም። \"ካብዚ ኣየምልጡን እዮም\" ክብል እቲ ጎስጓስ ዘካየደ ዌንዲ ሃሚልተን ንሮይተርስ ገሊፁ። ካባታቶም ንሕና ኢና ንበዝሕ ክንቃለስ ድማ ኢና\" ኢሉ። ካልእ ተቓዋሚ ኸኣ \"እዚ ንዅሉ እቲ ዝዓየናዮ ዘፍርስ ነገር እዩ\" ይብል። ንምንፃል ጥንሲ እትቃወም ኤማ ሂውስነር ብወገና \"ንህይወት ዝድግፍ ሰብ ክኸውን ብርቱዕ ስምዒት ኣለኒ። [እቲ ሕጊ] ተቐይሩ ምርኣይ ዓብዪ ዓወት እዩ\" ትብል። ብ1973 እቲ ሕጊ ነተን ኣብ ኣሜሪካ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብተን ናይ መጀመርታ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥንሲ ናይ ምንፃል ምሉእ መሰል ድሕሪ ሰልሰተ ኣዋርሕ ድማ ድሩት መሰላት ሂብወን እዩ። ብ2021 ጥራይ ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ዳርጋ 600 ዝኸውን ንምንጻል ጥንሲ ዝምልከት ቀይድታት ተኣታትዮም እዮም። ካብኣቶም እቶም 90 ድማ ናብ ሕጊ ተቐይሮም። እቲ ሕጊ ካብዝፀድቕ ጀሚሩ እዚ ኣብ ዝዀነ ይኹን ዓመት ካብዝነበረ ዝዛይድ እዩ። ግልጋሎት ምንፃል ጥንሲ ኣዝዩ ክትሕት ምግባር ንተን ምንፃል ጥንሲ ክፍፅማ ዚደልያ ድኻታት ደቂ ኣንስትዮ ኣመና ከምዝፀልወን ይእመን። መብዛሕትአን ምንፃል ጥንሲ ዝፍፅማ ደቂ ኣንስትዮ ዕድመአን ኣብ 20ታት ዝርከባ እየን፤ ብ2019 ካብዝተፈፀመ ምንፃል ጥንሲ 57 ሚእታዊት ዝኾና ኣብዚ ኽሊ ዕድመ ዝርከባ ነይረን።","category":"መሰላት ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61314470"} {"headline":"ኣፍቃሪኣ ብዝፈጸሞ ዘስካሕኽሕ መጥቃዕቲ ዝሞተት ሰብለ ንጉሴ፡ ስድራኣ እንታይ ይብሉ?","content":"ሰብለ ንጉሴ ንወለዳ ራብዓይቲ ውሉዶም ከምዝነበረት ቢቢሲ ዘዘራረቦ ንኢሽተይ ሓዋ ያእቆብ ይገልጽ። 08 መስከረም 1976 ኣቆጻጽራ ግእዝ ዝተወለደት ሰብለ፤ ብቢዝነስ ኣድሚንስትሬሽን ተመሪቓ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ተቖጺራ ክትሰርሕ ጸኒሓ። ክሳብ እታ ህይወታ ዝሓለፈትላ እዋን ድማ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕብረት ባንክ ብሓላፍነት ክፍሊ ምምሕዳር ሓይሊ ሰብ ትሰርሕ ከምዝነበረት ሓዋ ይዛረብ። ሰብለ ቀዳም 30 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም.ግ ለይቲ ሰዓት 9 ክሳብ 10 [03፡00 ክሳብ 04፡00] ኣብ ዝነበረ ጊዜ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊኣ ከምዝተፈጸመ ድማ ሓቢሩ። ምስቲ ኣፍቃሪኣ ናብ ጎንጺ ዝኣተዉሉ ምኽንያት፡ ኣምስዩ ብምምጻእ “ማዕጾ ኣይከፈትክለይን” ዝብል ከምዝነበረ ዝገልጽ ያእቆብ፡ ፈለማ መፍትሕ ደርብዩ ገጻ ከምዝወቕዓ ብድሕሪኡ ከኣ ብበሊሕ ነገር ከምዝወግኣን ሳኒታይዘር ናብ ኣካላታ ኣፍሲሱ ብሓዊ ከምዘቃጸላን ይዛረብ። ሰብለ ብድሕሪ’ቲ ዝበጽሓ መጥቃዕቲ ኣብ ሆስፒታል ክትትል ሕክምና እናተገበረላ ከሎ፡ ንሰለስተ ኣባላት ቤተሰባን ንፖሊስን ነዚ ቃላ ከምዝሃበት ቢቢሲ ካብ ሓዋ ዝረኸቡ ሓበሬታ የመልክት። ኣብ ማሕበር ደቂኣንስትዮ ሰብሞያ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣማኻሪት ሚድያን ኮሚዩኒኬሽንን ትንሳኤ ታደለ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ ሰብለ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 40 ሚኢታዊት ነብሳ ከምዝነደደ ካብ ሆስፒታልን ቤተሰባን መረዳእታ ረኺብና ኢላ። ኣብ ኣካላታ መውቃዕትን መውጋእትን ከምዝተፈጸመ’ውን ገሊጻ። ሰብለ ናብ ሆስፒታል ምስኣተወት ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ውኒኣ ስሒታ እያ ነይራ። ጸኒሓ’ውን እቲ ሕማም እናሓየላ ብምኻዱ ክትዛረብ ናብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ ከምዝበጽሐት ያእቆብ ተዛሪቡ። ሰብለን ኣፍቃሪኣን ንኽልተ ወርሕን ፈረቓን ጥራሕ ኣብቲ ገዛ ብሓባር ከምዝጸንሑ ብምግላጽ ድማ፡ ንሳ ግን ኣብቲ ገዛ ንበይና እምበር ሓቢርዋ ዝነብር ሰብ ከምዘሎ ንቤተሰባ ተዛሪባ ከምዘይትፈልጥ ኣረዲኡ። ነዚ ክትገብር ዝኸኣለትሉ ምኽንያት “ነገራት ቦትኦም ምስሓዙ’እምበር ኣቐዲማ ክትዛረብ ዘይትደልይ ዓይነት ባህሪኣ ዘንቀሎ ክኸውን ይኽእል’ዩ\" ኢሉ። ህይወታ ካብ ዝሓለፍ ቅድሚ 10 መዓልታት ኣቢሉ፡ ሰብለ ኣፍቃሪኣ ከምዝወቕዓ ነጊራታ ምንባራ ሓንቲ መሓዝኣ ምዝራባ’ውን ወሲኹ ገሊጹ። ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ዝፍጽም መጥቃዕቲ ብዕድመ፣ ቁጠባን ደረጃ ትምህርትን ከምዘይድረትን ኣብ ዝኾነት ትኹን ጓልኣንስተይቲ ክፍጸም ከምዝኽእል ምግንዛብ ከምዘድልይ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሓፍቱ ዝበጽሐ መበገሲ ብምግባር ይምዕድ። ሰብለ ንወለዳ እትጥውርን ኣብ ገዝኣ ብመርኣያነት እትውሰድን ብርትዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ከምዝነበረት ኣዘኻኺሩ። ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀሰብ ኣብዚ እዋን ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ኣትዩ ምጽራይ ይግበረሉ ከምዘሎ ኣብ ማሕበር ደቂኣንስትዮ ሰብሞያ ሕጊ ኣማኻሪት ሚድያን ኮሚዩኒኬሽንን ትንሳኤ ንቢቢሲ ሓቢራ። ኣባላት እታ ማሕበር ንዝኽሪ እታ ብሓዊ ተቓጺላ ህይወታ ክትሓልፍ ዝተገበረት ሰብለ ንጉሴ ሽምዓ ናይ ምብራህ ስነስርዓት ኣካይደን ነይረን። ሽምዓ ናይ ምብራህ ዝኽሪ ምድላው ዘድልየሉ ምኽንያት፡ እቲ ጉዳይ ቆላሕታ ክረክብ ንምግባርን “ንቤተሰባ ኣብ ጎኖም ደው ከምእንብል ንምርግጋጽን እዩ” ክትብል ትንሳኤ ኣብሪሃ። ኣብዚ እዋን ማሕበረን ብዘይካ ትግራይ ኣብ ኩለን ክልላት ኢትዮጵያ ኣብያተ ጽሕፈት ብምኽፋት ትሰርሕ ምህላዋ ብምዝኽኻር ድማ ዘቤታዊ መጥቃዕቲ ዝፍጸመን ደቂኣንስትዮ ቁጽረን እናወሰኸ ምምጽኡ ሓቢራ። ማሕበረሰብ፣ ትካላት ሃይማኖትን ሕግን ኣብ ህንጸት ስነልቦና ቆልዑ ግቡኦም ክፍጽሙ ከምኡ ድማ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ኣብ ቀይዲ ምስኣተዉ ግቡእ ቅጽዓት ክወሃቦም ከምዝግባእ ኣተሓሳሲባ’ላ።","category":"መሰላት ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60241689"} {"headline":"ደቡብ ኣፍሪቃዊት ሚኒስተር፡ ደቂ ኣንስትዮ ተማሃሮ 'መጽሓፈን ክግንጽላን ኣእጋረን ክዓጽዋን' ነጊራ","content":"ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓንቲ ዞባዊት ሚኒስተር ጥዕና፡ ንደቂ ኣንስትዮ ተማሃሮ ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ \"መጻሕፍትኽን ክፈታ ኣእጋርክን ከኣ ዕጸዋ\" ብምባላ ብዙሕ ነቐፌታታት ይወርዳ ኣሎ። ፖፊ ራማቱባ ንደቂ ኣንስትዮ ተማሃሮ ንምትብባዕን ኣብ ንኣሽቱ ተማሃሮ ንዘጋጥም ጥንሲ ንምጉዳልን ብዝብል ናብ ሓደ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዑደት ተካይድ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እያ ነቲ ርእይቶ ዝሃበት። ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ነቲ ርእይቶ ክነቕፉዎ እንከለው፤ ንምንታይ ንደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዘነጻጸረ ኮይኑ ኢሎም ይሓቱ ኣለው። ራማቱባ ግና እቲ ርእይቶ ንደቂ ተባዕትዮ'ውን ዝዓለመ ከም ዝኾነ ብምግላጽ'ያ ትምጉት ዘላ። እታ ሚኒስተር ጥዕና ዞባ ሊምፖፖ ኣብ ምጅማር ትምህርቲ ኣብ ከተማ ሰክጋጋፔንግ ዝርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ግወናነ እያ ብረቡዕ ዑደት ተካይድ ነይራ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ነቶም ተማሃሮ ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ \"ንደቂ ኣንስትዮ ክብለክን ዝደሊ፡ መጻሕፍትኽን ክፈታ፣ ኣእጋርክን ከኣ ዕጸዋ። ኣእጋርክን ኣይትኽፈታ፡ መጻሕፍትኽን ክፈታ። የቐንየለይ\" ኢላ። ንሳ ወሲኻ ብዕድመ ዓበይቲ ዝኾኑ ሰብኡት ክቡር ብዝኾነ ሰብ ሰርሖ ጸጉርን ቴለፎናትን ጌሮም ንደቂ ኣንስትዮ የታልሉ ከምዘለው ተዛሪባ። እቲ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርግሑ ተሪር ነቐፌታ ኣስዒቡላ ኣሎ። \"እዚ ንቖልዑ ብዛዕባ ዓመጽ፡ ስጋዊ ርክብን ፍቓድን እትነግረሉ ግቡእ መገዲ ኣይኮነን\" ይብል ሓደ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተወሃበ ርእይቶ። ተቓዋሚ ፖለቲከኛ ሲቪወ ግዋሩበ ብወገና \"ብዙሕ ጸገም ዘለዎ\" ክትብል'ያ ገሊጻቶ። ንሳ ብትዊተር ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ \"እዚ ምስቶም ተማሃሮ ብዛዕባ ፍታው፡ ትርጉም ዘለዎ ዝርርብ ክተካይድሉ እትኽእሊ ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። ግና ነቒፍክዮም\" ኢላ። እታ ሚኒስተር ምስ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ማዕከን ዜና ታየምስ ላይቭ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት እቲ ዘረብኣ ዘይትርጉሙ ከምዝተዋሃቦን ንደቂ ተባዕትዮ'ውን ዝዓለመ ምንባሩን ገሊጻ። \"እቶም ኣወዳት ኣብ ትምህርቶም ከተኩሩን ምስተን ኣዋልድ ካብ ምድቃስ ክቑጠቡን ነጊረዮም እየ\" ኢላ። ወሲኻ'ውን ኣብ ዞባ ሊምፖፖ ዝርከቡ መሳርሕታ \"ነቲ መልእኽቲ ከም ዝነኣድዎን\" ብትብዓት ብምዝራባ ከም ዘመስገንዋን ሓቢራ። ኣብ 2020 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣስታት 33,400 ትሕቲ 17 ዝዕድሚአን ኣዋልድ ጥንሲ ከም ዘጋጠመን ጸብጻባት መንግስቲ የርእዩ።","category":"መሰላት ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59991667"} {"headline":"ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ቀዳመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረት ዓሪፋ","content":"ካብ ቼክ ተሰዲዳ ንኣመሪካ ዝኣተወት ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ቀዳመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ማድሊን ኣልብርይት ኣብ 84 ዓመታ ዓሪፋ። ኣብ ጉዳያት ወጻኢ ፖሊሲ ኣመሪካ ዝለዓለት ዲፕሎማት ማድሊን ኦልብራይት ኣብ 1997፡ ኣብ ዘበነ መንግስትነት ፕረዚደንት ክሊንተን እያ። መብዛሕትኡ ግዜ ከም \"ተሓላቒት ደሞክራሲ\" እትረአ ማድሊን ዓሌታዊ ግጭት ኮሶቮ ንከብቅዕ ዓብዪ እጃም ነይሩዋ። ስድራ ቤታ ብሕማም መንሽሮ ከም ዝሞተት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣረጋጊጾም ኣለው። ማድሊን ብስድራ ቤትን ፈተውትን ተኸቢባ እያ ዓሪፋ። ስድራኣ ከኣ ፈቃር ኣደን፡ ሓብትን መሓዛን፡ ኣሞን ሓትኖናን ተፈልያትና ኢሎም። ሕልፈታ ምስተነግረ ፕረዚደንት ነበር ቢል ክሊንተንን ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ነበር ሂላሪ ክሊንተንን ሓዘኖም ገሊጾም። \"ነቲ ዘገልግሉሉ ዝነበሩ እዋንን ሓላፍነትን ምሉእ ብምሉእ ዝበቕዑዎ ውሑዳት ሰባት እዮም\" ዝበለ ክሊንተን \"ዕላማ ስርሓ ውሳነታት ፖሊሲ ኣመሪካ ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት ለውጢ ንምምጻእ ምዃኑ ስለ እትፈልጥ ንስራሓ ከም ግዴታን ዕድልን እያ ተጠቒማትሉ\" ኢሉ። ናይ ሽዑ ዋና ጸሓፊ ኔቶ ጀነራል ጀንስ ስቶልተንበርግ ብወገኑ፡ \"ናይ ሓርነት ሓይልን\" ከምኡውን \"ሓያል ሞጓቲት ናይ ኔቶ ሻምፕዮን ኔራ\" ክብል ይገልጻ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ፡ ኣልብረይት \"ሰላማዊት ዓለም ንክትህሉ ኣገዳስነት ናጻ ሕብረተሰብ ኣጸቢቑ ዝርድኣ ዝነበረት ሰብ እያ \" ክብል ናእድኡ ገሊጹ። ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ሊዝ ትሩስ፡ ዓለም \"ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ኣብ ጐድኒ መትከላት ኦልብራይት ደው ክትብል ይግባእ\" ኢላ። ኣብ ቸኮስሎቫክያ ነበር ብ1937 ኣብ ፕራግ እተወልደት ማሪ ጃና ኮርቤሎቫ፡ ማድሊን ኦልብራይት፡ ናዚ ንጀርመን ብ1939 ንቼክሎኮዛቭያ ምስ ተቘጻጸራ ምስ ስድርኣ ዝተሰደት ጓል ሓደ ዲፕሎማሰኛ እያ። ማድሊን ብ1948 ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ገዓዘት። ኣብታ ዓመት እቲ ከኣ ስድራ ቤታ ተጻረርቲ ናይቲ ንሃገሮም ዝመርሖ ስርዓት ብምዃኖም ንዓዶም ክምለሱ ከም ዘይክእሉ ብምግላጽ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንኽወሃቦም ሓተቱ። ብ1957 ድማ ኣመሪካዊት ዜጋ ኰነት። ብድሕርዚ ኣልብረይት ኣብ ምምሕዳር ጂሚ ካርተር ከም ኣመሓዳሪት፡ ጸኒሓ ከኣ ከም ኣማኻሪ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ብምዃን ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ምስ ብዙሓት ምክትል ፕረዚደንትን ሕጹያት ፕረዚደንትን ሰርሐት። ቢል ክሊንተን ብ1993 ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ከኣ ነዊሕ ከይጸንሐ ፡ ማድሊን ኦልብራይት ኣምባሳደር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገይሩ ሸይሙዋ። እዚ ከኣ ናይ መጀመርታ ዲፕሎማስያዊ ስርሓ ነበረ። ብ1997 ንብዙሕ ተቓውሞታት ሰጊራ ከኣ ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኰነት። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ምምሕዳር ክሊንተን ነቲ ብሰርቢያዊ ስርዓት ስሎቦዳን ሚሎሰቪች ኣብ ኮሶቮ ዘካየዶ ጃምላዊ ዓሌታዊ ህልቂት ደው ንምባል ጣልቃ ንክኣቱ ብምድፍኣ ተፈላጥነታ ዓበየ። ገሊኦም ነቐፍቲ ነቲ ስዒቡ ዝመጽአ ደብዳብ ነፈርቲ ኔቶ \"ናይ ኦልብራይት ውግእ እዩ\" ኢሎም ይጽውዕዎ ነበሩ ። ኣብቲ ግዜ እቲ \"ነቲ ሚሎሰቪች ክገብሮ ዝመደበ ነገር ኢድና ኣጣሚርና ክንርኢ ኣይግባእን እዩ። ኣነ ምሉእ ሓላፍነት ክወስድ እየ። ኣብ ቅድሚ ዓይንና \"ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ክፍጸም ክንርኢ ኣይንኽእልን ኢና\" ኢላ። ኣብ መወዳእታ፡ ኮሶቮ ድሕሪ ትሽዓተ ዓመት ምትእትታው ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2008 ካብ ሰርብያ ናጻ ከም ዝወጽአት ኣዊጃ። ፕረዚደንት እታ ሃገር ቮሳ ዑስማን፡ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ \"መዘና ዘይነበራ መሓዛ\" ከም ዝሰኣኑ ድሕሪ ምግላጹ ፡ ኦልብራይት \"ንናጽነትናን ንዴሞክራሲናን ዝገበረቶ ኣበርክቶ ፈጺምካ ኣይርሳዕን እዩ\" ኢሉ። ብ2012፡ እቲ ሽዑ ፕረዚደንት ዝነበረ ባራክ ኦባማ ንማድሊን ኦልብራይት፡ ኣብ ሃገራት ባልካን ብዝገበረቶ ዕዮ፡ እቲ ንሲቪላዊ ዕዮ ብፕረዚደንት ዝወሃብ ዝለዓለ ሽልማት መዳልያ ናጽነት ሸሊሙዋ። ፕረዚደንት ነበር ኦባማ \"ዘይትጸዓድ ክኢላ\" ክብል ንኢዱዋ እዩ። ኣብ 2015፡ ኦልብራይት ደቂ ኣንስትዮ ብፖለቲካዊ ሓይሊ ስልጣን እንተ ረኺበን እቲ ሕብረተሰብ ዝያዳ ርጉእ ከም ዝኸውን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ገሊጻ። ቅድሚ ሓደ ወርሒ ፡ ኣብ ድሮ ወራር ዩክረይን፡ ኦልብራይት ምስ ሓደ ናይ ኒው ዮርክ ታይምስ ኣሰናዳኢ መደብ፡ ብዛዕባ እቲ ብ2000 ስልጣን ምስ ሓዘ ንፈለማ ግዜ ዝረኸበቶ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ተዛሪባ። \"ዩክረይን፡ ጐረባብታ መን ምዃኖም ብዘየገድስ፡ ልኡላውነታ ክትረክብ ኣለዋ። ኣብዚ ግዜና ከኣ ዓበይቲ ሃገራት ነዚ ክቕበልኦ ኣለወን፤ ፑቲን እውን ከምኡ'' ኢላ።","category":"መሰላት ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60678453"} {"headline":"ታንዛንያ፡ ኣደታት ደቀን ሒዘን ናብ መምሃሪ ክፍሊ ከይኣትዋ ተኣጊደን","content":"ኣብ ቀረባ ግዜ ነብሰ ጾር ተምሃሮ ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝእግድን ድሕሪ ወሊድ’ውን እንተኾነ ናብ ቤት ትምህርቲ ንኸይምለሳ ዝኽልክል ሕጊ ዝሰረዘት ታንዛንያ ኣዴታት ደቀን ሒዘን ናብ ቤት ትምህርቲ ኽኣትዋ ከምዘይፍቀደለን ኣፍሊጣ። ሚኒስትሪ ትምህርቲ ታንዛንያ ነብሰ ጾር ኣደታት ናብ ቤት ትምህርቲ ክኣትዋ ከምዘይብለን ዝእግድ መምርሒ’ኳ እንተገደፎ ዝወለዳ ኣደታት ግን ደቀን ሒዘን ናብ መምሃሪ ክፍሊ ሒዘን ከይመጽኣ ኣጠንቂቑ። ሚኒሰተር ትምህርቲ እታ ሃገር ኦዶልፍ ማኬንዳ፡ ተምሃሮ ምስወለዳ ትምህርተን ንኽቕጽላ ፈቒድና ማለት ደቀን ሒዘን ናብ መምሃሪ ክፍሊ ክኣትዋ ኣለወን ማለት ግን ኣይኮነን ኢሉ። እቲ ሚኒስትር ነዚ ርእይቶ ዝሃበ ኣብ ታንዛንያ ግዝኣት በምቤያ ሓንቲ ተምሃሪት ዝወለደት ኣደ ወዲ 4 ወርሒ ውሉዳ ሒዛ ናብ ቤት ትምህርቲ ክትኣቱ ከምዝተፈቐደላ ዘዘንቱ ሓበሬታ ብማዕኸን ዜና ቢቢሲ ድሕሪ ምቅልሑ’ዩ። ኣብቲ ናይ ቢቢሲ ጸብጻብ ጓል 19 ዓመት ኣስናት ጌድዮን ወዳ ሓቝፋ ኣብ ክፍሊ እንዳተምሃረት ዘርኢ እዩ። እታ ተምሃሪት ኣብ ገዛ ንወዳ ዝናብየላ ሰብ ከምዘይብላ ብምግላጽ እዚ ክትገብር ከምዝተገደደት ተዛሪባ ነይራ። ፕሮፌሰር ማኬንዳ፡ ቆልዑት ሒዝካ ናብ መምሃሪ ክፍሊ ምእታው ንኻልኦት ተምሃሮ ስለዝርብሽ ቆልዑ ሒዝካ ምእታው ፍቑድ ከምዘይኮነ ሓቢሩ። ኣብ ታንዛንያ ዝጠነሳ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ቤት ትምህርቲ ንኸይመጽኣ ዝኽልኽል ሕጊ ዝነበረ ኮይኑ ምስወለዳ’ውን እንተኾነ ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለሳ ኣይፍቀደለንን ነይሩ። እቲ መምርሒ ንዝሓለፉ 19 ዓመታት ክትግበር ዝጸንሐ ኮይኑ ቅድሚ ኣዋርሕ ስለዝተሰረዘ ግን ብዙሓት ኣደታት ትምህርተን ንኽዛዝማ ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ክምለሳ ምኽንያት ኮይኑ’ዩ። እታ ኣብ ጸብጻብ ቢቢሲ ዝቐረበት ኣዶ፡ ዝመሃራ ኣዶታት ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለሳ እንከለዋ ደቀን በየናይ መገዲ ክናብያ ከምዘለወን ኣብ ዝብል ርእሲ ሰብ ሞያ ሓሳቦም ንኸካፍሉ መበገሲ ኮይና እያ። ከም ኣደ ቆልዓ ኣስናት ጌድዮን ካልእ ኣማራጺ ዘይብለን ኣደታት ትካላት መጽንሒ ቆልዑት ክምስረት ሓሳብ ከምዝቐረበ ሓደ በዓል ሞያ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።","category":"መሰላት ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60270583"} {"headline":"ደቀን በይነን ንምዕባይ ዝመረጻ ኣዴታት፡ 'ዘፍቅሮ ሓደ ሰብ ይደሊ’የ'","content":"ልዕሊ 50 ሚኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ፡ ሰብኣይ ዘይደልያ፣ ደቀን በይነን ንምዕባይ ዝወሰናን ናይ ዘርኢ ፍረ ካብ ለገስቲ ደቂ ተባዕትዮ ዝወስዳን ከም ዝኾና ክሪዮስ ኢንተርናሽናል ዝተባህለ ዝዓበየ ባንኪ ዘርኢ ፍረ ዓለምና ዘውጽኦ መረዳእታ የመልክት። እዚ ትካል ንልዕሊ 100 ሃገራት ዓለም ናይ ዘርኢ ፍረን እንቋቑሖን ዘቕርብ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ቑጽሪ ደቀን ንበይነን ዘዕብያ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝወሰኸ ይሕብር። እዚ ቑጽሪ ኣብ 2020፡ 54 ሚኢታዊት በጺሑ እዩ። ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 100 ሚሊዮን ብሕታውያን [ደቀን በይነን ንምዕባይ ዝመረጻ] ኣዴታት ክህልዋ እንከለዋ እዚአን ደቀን በይነን ዘዕብያ ከም ዝኾና ካብ ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ። ካብዚአን ክንደይ ዝኣኽላ እየን ብፍቓደን ደቀን በይነን ከዕብያ ወሲነን ዝብል ንጹር ሓበሬታ እኳ እንተዘይሃለወ በይነን ቖልዓ ንምዕባይ ዝውስና ደቂ ኣንስትዮ ማሕበራዊ፣ ባህላዊ ኢሉ’ውን ናይ ሕጊ ጸገማትን ጸቕጥን ይበጽሐን እዩ። ኣብዚ ዛንታ፡ ኣርባዕተ ደቀን ንበይነን ንምዕባይ ዝወሰና ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ምርጭአንን ዝነበረን ጉዕዞን ኣካፊለን ኣለዋ። 'ብሉጽ ውሳነ ናይ ህይወተይ’ ማም ኢሳበር ፈረንሳዊት እያ። ወትሩ ኣደ ክትኸውን ትብህግ ነይራ። ንብዙሕ ዓመታት ክተውጽእ ክተውርድ ድሕሪ ምጽናሕ ግን ቅድሚ ክልተ ዓመት በይና ክትኸውን ከም ዘለዋ ወሲና። “ብዛዕባ እዚ ንኣደይ ከውግዓ ወሲነ፤ ሽዑ ጓል 38 ዓመት ስለ ዝነበርኹ ድማ ምናልባት እንተፈተንክዮ ይሓይሽ ኢላትኒ። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ወሲነ ለካቲት ድማ ጠኒሰ” ትብል። ማም ኢሳበር፡ ጋዜጠኛ እያ። ድሕሪ ትሸዓተ ኣዋርሕ፡ ኣደ ኮይና - ኢማ ንዝሰመየት ኣዝያ ጽብቕቲ ቖልዓ ተገላጊላ። እዚ ቀሊል ይመስል፤ መጀመርታ ብዙሓት ሕልኽላኻት እያ ሓሊፋ። ኣብቲ ሽዑ ግዜ ኣብ ፈረንሳ ንበይነን ክኾና ዝወሰና ኣዴታት ዝወሃብ ሕክምና ምርባሕ ወይ ዘርኢ ምቕባል ኣይነበረን። ስለ ዝኾነ ድማ ሓኪማ ዘርኢ ንምርካብ ናብ ወጻኢ ሃገር ክትጉዓዝ ከም ዘለዋ ነጊሩዋ፤ ዕድል ገይራ ግን እቲ መስርሕ ዝውግነላ ካልእ ዶክተር ረኺባ። እዚ፡ ኣብታ ሃገር ክሳለጥ ዘይኽእል እምበር ዘይሕጋዊ’ዩ ዝብል ፍልጦ ኣይነበራን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ ድማ ፈረንሳ ሓዳር ከይገበራ በይነን ደቀን ከዕብያ ዝደልያን ግብረ ሰዶማውያን ደቂ ኣንስትዮን ናይ ወሊድ ሕክምና ክረኽባ ከም ዝኽእላ ዘፍቅድ ሕጊ ኣጽዲቓ። እዚ ድሕሪ እቲ ንኽልተ ዓመት ኣብታ ሃገር ዝተኻየዱ ሰልፍታትን ክትዕ ኣባላት ባይቶን ዝጸደቐ ሕጊ እዩ። 'ውህብቶ ፈጣሪ' ድሕሪ ሓደ ዓመት ኢሳበር ጣዕሚ ኣዶነት ተስተማቕር። “መጀመርታ መዓልቲ ጓለይ ምስ ሓቖፍኩዋ እየ ኣደ ምዃነይ ተሰሚዑኒ። ሽዑ ብዙሕ በኽየ፤ ግን እቲ ዝበለጸ ናይ ህይወተይ ውሳነ እዩ” ትብል። ኢሳበት፡ ጓላ ምስ ዓበየት ተነጽሎ ከየጋጥማ ንምክልኻል መንነት እቲ ናይ ፍረ ዘርኢ ዝለገሰላ ሰብኣይ ክፍለጥ ኣይትደልን። ንሱ ክርእያ እንከሎ ከም ኣቦ ዘይኮነ ከም ለጋሲ ንከይርእያ ብዝብል ከም ዝኾነ ብምግላጽ ምናልባት ልቢ ምስ ገበረት ኩሉ ብግልጺ ክትነግራ ምዃና ትዛረብ። “ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ቖልዑ ክህልውኒ ሕልሚ ኣለኒ፤ ግን ዕድመ’ውን ይደፍእ ስለ ዘሎ ሓደ ቖልዓ ንርእሱ ውህብቶ ፈጣሪ’ዩ” ትብል። 'ንሱ ዓለመይ ኣነ’ውን ዓለሙ ኮይኑ ተሰሚዑኒ' ጓል 44 ዓመት ኣኔ ማሪ ቫስኮንኤሎስ ኣብ ኣመሪካ ኒው ጄርሲ ትቕመጥ። ኣደ ንምዃን ብዙሕ ግዜ ወሲዱላን ከበድቲ ጊዜያት ሓሊፋን እያ። ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት፡ ኣኔ ማሪ ‘ፖሊሲስቲክ ኦቫሪ ዲስኦርደር’ ዝበሃል ምዝባዕ ወይ ዘይስሩዕን ዝተናውሐን ወርሓዊ ጽግያት ሓሓሊፉ ድማ ምብዛሕ ሆርሞናት ወዲ ተባዕታይ ከም ዘለዋ ፈሊጣ። እዚ ስራሕ ማህደር እንቋቑሖ ጓል ኣንስተይቲ ዘጥቅዕን ናይ ምውላድ ጸገማት ዘስዕብን እዩ። ውጽኢት እዚ መርመራን ሞት ኣቡኣን ድማ ህይወታ ሙሉእ ንሙሉእ ዝቐየረ ውሳነ ክትውስን ደፊኡዋ። “ሓኪመይ ኣብ ውጽኢት መርመራይ ተሞርኲሳ ቖልዓ ምስ ምውላድ ጸገማት ከም ዘለውኒ እሞ ምስ በዓል ቤተይ ክዘራረበሉ ከም ዘለኒ ትነግረኒ። ሓዳር እኮ የብለይን ይብላ፤ ቖልዑ ንክህልውኺ እኮ ሓዳር ክህልወኪ የብሉን ትብለኒ። እዚ ፈጺመ ሓሲበዮ ኣይፈልጥን” ብምባል ትዝክሮ። ከም ኣማኒት ካቶሊኽ ኣኔ ማሪ ብIVF [ዘርኢ ናይ ኣቦን ኣደን ኣብ ቤት ፈተነ ከም ዝሕወስ ተገይሩ ተመሊሱ ናብ ማህጸን ከም ዝኣቱ ዝግበር መስርሕ መፍረ] ቖልዓ ረኺብካ ናጽላ ኣደ ምዃን ሞራላዊ ሕቶታት እኳ እንተስዐበላ ንሃይማኖታዊ መራሒኣ ብግልጺ ተዛሪባቶም እያ። ኣብ ሞንጎ እዚ ዝሓለፈቶ ኢኮኖሚያውን ስምዒታውን ሸኽሚ ቐሊል ኣይነበረን። “ንኡሽቶ ወደይ ንምርካብ ሓሙሽተ ሰብ ዝሰርሖ ዘርኢ እየ ፈቲነ። 95 ሽሕ ዶላር ወጻኢ ሓቲቱኒ። ዝነበረ ኩሉ ዕቋር ገንዘብን ካልእ ልቓሓትን ተጠቒመ ሸፊነዮ” ኢላ። ብ2016፡ ኣኔ ማሪ ፈላማይ ውላድ ረኺባ። ዊልያም ይብሃል፤ ድሕሪ ክልተ ዓመት ድማ ንያት ወሊዳ። ክልቲኦም ሓደ ናይ ፍረ ዘርኢ [ስፐርም] ካብ ዝለገሰ ሰብ ብሰብ ሰራሕ ምምሕልላፍ ዘርኢ ፍረ እዮም ተወሊዶም። “ዊልያም ክውለድ እንከሎ ህይወት ኣይነበሮን። ቀልቡ ናይ ምምላስን ደም ናይ ምሃብን ስራሕቲ’ዮም ተገይሮምሉ። ስለዚ ናይ ወሊድ እዋናተይ ጽቡቓት ኣይነበሩን። በዚ ምኽንያት ድሕሪ ትሸዓተ መዓልቲ ካብ ሆስፒታል ወጺኣ። “ሽዑ ንሱ ዓለመይ ኣነ’ውን ዓለሙ ምዃነይ እዩ ተሰሚዑኒ” ኢላ። 'ፈሊጠ’ ሳራ [ትኽክለኛ ሽማ ኣይኮነን] ልክዕ ከም ካልእ ጓል ኣንስተይቲ ኣዶነት እትምነዮ ጸጋ ነይሩ። እዛ ጓል 36 ዓመት መንእሰይ “ንጻት’ውን ክኸውን ድየ ኣይኸውንን ዝብል ጥርጣረ ኣይነበረንን፤ ይፍለጠኒ ግን ነይሩ” ትብል። ንዓኣ፡ ኮሮናቫይረስ፡ ካብዚ ንላዕሊ ክትጽበ ከም ዘይብላ ግልጺ ገይሩላ እዩ። “እቲ ናይ ለበዳ እዋን ኣደ ምስ ናይ ምዃን ሓሳብ ዳግም ክወሃሃድ ገይሩኒ። ድሓር ንዓርከይ ነጊረዮ [ናተይ ድልየት]፤ ንሱ ድማ ካብኡ ቖልዓ ክወልድ ፍቓደኛ ምዃኑ ነጊሩኒ” ትብል። ኣብ ወርሒ ነሓሰ ድማ ንፍሰ ጾር ምዃና ፈሊጣ። ሳራ ኣብ ሞያ ስነ ጥበብ እያ ዘላ። ሕጂ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ነፍሰ ጾር ኮይና እዋን ቁልዕነታ ንናይ ሕጂ ውሳነታታ ከም ዝጸልዎ ትዛረብ። “ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ሌባነን እየ ዓብየ። ብ1985 ኣብቲ ውዕውዕ ኲናት ዝነበሮ ግዜ ተወሊደ። ሕጉስ ቑልዕነት ነይሩኒ፤ ግን ክኣ ብዙሕ በሰላታት ኣለዎ” ትብል። ወለዳ፡ ዳርጋ ን40 ዓመታት ዝዘለቐ ሓዳር እዩ ነይሩዎም፤ ሳራ ግን “ኣብ ሓደ ገዛ ነንበይኖም ዝነብሩ’ዮም ነይሮም” ክትብል ትገልጾ። ንነዊሕ ግዜ “ጽቡቕ ርክብ ኣይነበሮምን። ዳርጋ መርዛም ዓይነት ርክብ ነይሩዎም ክብል ይኽእል፤ እዚ ድማ ንናተይ ውሳነ ጸልዩዎ እዩ። ይመስለኒ እቲ ርክቦም ስነ ልቦናዊ ሃሰያ ኣሕዲሩለይ እዩ” ኢላ። ሳራ ወሲኻ፡ ኩነታት ሃገራን ሞት እትፈትዎም ሰባትን ኣብ ውሳንኣ ጽልዋ ከም ዘሕደረ ትዛረብ። ስለዚ፡ ውላድኻ በይንኻ ናይ ምዕባይ ውሳነ ንዓኣ ጽቡቕ ውሳነ ኣይኮነን። “ሓዳር ወይ ፍቕራዊ ምሕዝነት ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ንውላደን ስለ ዝሕብሕባ ናተይ ዝተፈለየ ወይ ጅግና ዘብል ኣይኮነን” ኢላ። እንተኾነ ስድርኣ ከምዚ ዓይነት ማሕበረሰባዊ ቕቡልነት ዘይብሉ ውሳነ ክቕበሉዎ ምኽኣሎም ዓብዪ ነገር ምዃኑ ትጠቅስ። 'ዘፍቅሮ ሓደ ሰብ ይደሊ’የ' ምርጫ ናጽላ ኣዶነት ምውሳኹ ንቕርጺ እቲ ሓዳር ዝብሃል ማሕበራዊ ምትእስሳር ዝነበረ ኣረኣእያ ይቕይሮ እኳ እንተሃለወ ጓል 37 ዓመት ዋርዲያ ንያክኖ ኮኮኮን ግን ካልእ ምርጫ የብለይን ትብል። “ንዓይ ምርጫ ስለ ዘይነበረ ስቕ ኢለ ብፍቓደይ ቖልዓይ በይነይ ከዕቢ ደልየ ይብል። ግን ክኣ ዕጫይ ንሱ ስለ ዝነበረ ክቕበሎ ኣለኒ” ክትብል ትገልጾ። ንያኮ፡ ኣብ ውሽጢ 20 ቖልዑት ዝነበሮ ስድራቤት እያ ዓብያ፤ ኣቡኣ ብዙሓት ኣንሽቲ ነይረንኦ። ኣዲኣ መበል ራብዐይቲ በዓልቲ ቤቱ እያ። “ህይወት ንክንደፍእ ብዙሕ ዋጋ ንኸፍል ነይርና፤ በዚ ምኽንያት ጽቡቕ ትምህርቲ ኣይረኸብናን - በቃ መባእታውን ናይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርትን ጥራይ እየ ረኺበ” ትብል። ዝሓሸ ናብራ ንምርካብ ብዝብል ድማ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ካብ ናይጄሪያ ናብ ዱባይ ከይዳ። ን12 ሰዓት ስለ እትሰርሕ ምስ ሰባት ንምርኻብ ዝጥዕም ግዜ የብላን። ኣብዚ ዓመት ግን ዝተኸፍለ መስዋእቲ ከፊለስ ቖልዓ ክረክብ ኣለኒ ኢላ ወሲና። “ድልየቶም ከማልአሎም እንተኽኢለ ቖልዑ ንክህልውኒ ዝዓግተኒ ነገር ከም ዘየሎ ተረዲአ፤ ፍቕርን ጽቡቕ ትምህርትን ክህቦም እንተኽኢለ ዋላ ሓደ ዝዓግተኒ የለን። ሓደ ከፍቅሮ ዝኽእል ሰብ ይደሊ እየ። ቖልዓ እንተዘይሃሊዩኒ ድማ ዝያዳ ጨካን ክኸውን ከም ዝኽእል ይስምዓኒ” ትብል። ንያክኖ ብተፈጥሮኣዊ መገዲ እያ ድቂ ክትቛጽር ደልያ፤ እዚ እንተዘይሰሚሩ ድማ ብIVF [ዘርኢ ናይ ኣቦን ኣደን ኣብ ቤት ፈተነ ከም ዝሕወስ ተገይሩ፡ ተመሊሱ ናብ ማህጸን ከም ዝኣቱ ዝግበር መስርሕ] ክትፍትኖ ወሲና። ክሳብ ምጥናሳ እትፈልጥ ግን ነቲ ኣቦ ውላዳ ዝኸውን ሰብ ብዛዕባ ቐጻሊ መደባታ ኣይነገረቶን። “ንሱ ናይ ባዕሉ ህይወትን መደባትን ስለ ዘለዎ ዝኾነ ሓላፍነት ኣይህቦን” ትብል።","category":"መሰላት ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60365854"} {"headline":"ሽወደን፡ ኣብ ማልሞ ክልተ መምሃራን ብኻራ ተወጊአን ተቐቲለን","content":"ክልተ መማህራን፡ ኣብ ማልሞ፡ ደቡባዊ ሽወደን ኣብ ዝርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ብዝወረደን መጥቃዕቲ [ኻራ] ከም ዝተቐትላ ፖሊስ ገሊጹ። ሓደ 18 ዓመት ዝዕድመኡ ተማሃራይ 'ቲ ቤት ትምህርቲ፡ ብቕትለት ተጠርጢሩ ተኣሲሩ'ሎ። ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ከም ዝገለጻኦ፡ እተን ኣብ 50ታት ዕድመ ዝርከባ ግዳያት ብኻራ እየን ተወጊአን፣ ካልእ ዝዀነ ተተኳሲ ብረት ግን ኣይነበረን። እዘን ክልተ ሰራሕተኛታት ቤት ትምህርቲ ላቲን ማልሞ፡ ሽዑ ንሽዑ፡ ብኦምቡላስ ናብ ሆስፒታል 'ኳ እንተ ተወስዳ፡ ብሰንኪ ዝወረደን ከቢድ መውጋእቲ ግን ክድሕና ኣይከኣላን። ፖሊስ፡ ሰሉስ ንግሆ ኣብ ዝሃቦ ዜናዊ መግለጺ፡ ጻውዒት ሓደጋ ምስ ተቐበለ፡ ጥርጡር ኣብ ውሽጢ 10 ደቓይቕ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። ኣባላት ፖሊስ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ክበጽሑ እንከለው፡ እቲ ቦታ ህዱእ እዩ ነይሩ፣ ነተን ክልተ ግዳያትን እቲ ጥርጡርን ከኣ ኣብ ሳልሳይ ደርቢ ረኺቦምዎም። 'ኣፍቶንብላደት' ዝተባህለት ጋዜጣ ሽወደን ከም ዝገለጸቶ፡ እቲ ጥርጡር፡ ካራን ፋስን ሒዙ እዩ ተረኺቡ። እዚ ጥርጡር፡ ዝዀነ ሕዱር መዝገብ ገበን ይዅን፡ ዝዀነ ንገበን ዘጠርጥር ፍሉይ ባህሪ ከምዘይነበሮ ፖሊስ ኣፍሊጡ። እንተዀነ መርመራ ይቕጽል ኣሎ፣ ንእኡን ካልኦት ካብቲ ቤት ትምህርቲን'ውን ሕቶታት ከቕርበሎም እዩ። ዛጊት ናብ ከምዚ ዝበለ ሓደጋ ዘብጽሐ ምኽንያት ኣይተፈልጠን፤ ዝዀነ ዘይንቡር ወይ ሕማቕ ዝምድና ኣብ መንጐ እዘን መምሃራንን እቲ ተማሃራይን ከም ዝነበረ ዘረድእ ጭብጢ'ውን ኣይተረኽበን። ፐትራ ስተንኩላ፡ ሓላፊት ፖሊስ ማልሞ ንጋዜጠኛታት ብዝሃበቶ ሓበሬታ መሰረት፡ መንበሪ ገዛ ጥርጡር ተፈቲሹ፣ ካልኦት ተመሃሮ'ውን ገለ ሕቶታት ክቐርበሎም እዩ። ኣብ ርእሲኡ ዝዀነ ንመርመራ ዝሕግዝ ዝተቐድሐ ኣሳእል እንተ ተረኽበ'ውን ይፍተሽ ኣሎ። ብተወሳኺ ፐትራ ከም ዝበለቶ፡ ነቲ ማዕከናት ዜና ሽወደን፡ 'ጥርጡር ባዕሉ ንፖሊስ ደዊሉ፣ ክልተ ሰብ ከም ዝቐተለ ኣሚኑ፡' ኢለን ዝዝርግሓኦ ዘለዋ ሓበሬታ ይጻረ'ሎ። ኣብ እዋን ፍጻመ፡ 50 ዝዀኑ መማህራንን ተመሃሮን ኣብቲ ህንጻ ከም ዝነበሩ ተፈሊጡ። ፖሊስ፡ ሰኑይ ሰዓት 17፡12 ሓበሬታ ክበጽሖ እንከሎ፡ ጥርጡር ሰዓት 17፡22 [ኣብ ውሽጢ 10 ደቒቕ] ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። ኣባላት ፖሊስ ነቲ ቤት ትምህርቲ ናጻ ብምግባር ብዘካየዶ ተፍትሽ፡ ካልኦት 'ገበነኛታት' ብድሕር'ቲ ፍጻመ ብዛዕባ ምህላዎም ዝዀነ ምልክታት ኣይረኸበን። መምህራንን ተመሃሮን 'ታ ቤት ትምህርቲ ንማዕከናት ዜና ከም ዝገለጽዎ፡ ፖሊስ ምስ ዕጥቆም ናብቲ ቤት ትምህርቲ እትዮም፣ ንሰዓታት ኣብ ከክፍሎም ክጸንሑን ኣዚዞም። እዛ ኣብ ማልሞ፡ ሳልሰይቲ ዝዓበየት ከተማ ሽወደን፡ እትርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዓባይን ስምይትን እያ። ፈለማ፡ ኣብ 1406 ከም ትምህርቲ ቤተክርስትያን ዝተመስረተት ክትከውን እንከላ፡ ኣብ መወዳእታ 1800 ናብዚ ናይ ሕጂ ቦታኣ ግዒዛ። መርበብ ሓበሬታ እታ ቤት ትምህርቲ ከም ዝገለጾ፡ ናይ ሰሉስ ትምህርቲ ተሰሪዙ ውዒሉ፣ ንተማሃሮ ዝዳሎ 'ሓገዝ ኣብ እዋን ቅልውላው' ግን ክወሃብ ውዒሉ። ርእሰ መምህር 'ታ ቤት ትምህርቲ፡ ፍረደሪክ ኸመንስየ፡ \"ኣመና ዘሕዝን እዩ፡\" ክብል ነቲ ፍጻመ ኣመልኪቱ ንጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ገሊጹ። ኣብ ዞባ ስኻነ፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ጥራይ፡ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ንሳልሳይ ግዜ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ካራ እዩ። እንተዀነ ፖሊስ እዚ ናይ ሕጂ ምስቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተፈጸሙ ግን ከኣ ሞት ዘየስዓቡ ፍጻመታት ዘለዎ ምትእስሳር ኣየረጋገጸን ዘሎ። ጠንቂ 'ቲ ኵነታት ንምርዳእን ምምርማርን ዝዓበየ ስራሕ ፖሊስ ኰይኑ ከም ዘሎ፡ ሓለቓ ፖሊስ ሰሜን ማልሞ ኣሳ ኒልሶን ብወገኑ የረድእ። ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን ማግደሊና ኣንደርሰን፡ በቲ ዜና ሓዘንን ስንባደን ከም ዝተሰምዓ ገሊጻ። ንሳ ኣብ ፈይስቡክ ፡ \"ፖሊስን ኣባላት መርመራ ገበንን፡ ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ከጻርዩን፡ ፈጸምቱ ብተግባራቶም ተሓተትቲ ክገብሩን ግድን እዩ፡\" ክትብል ጽሒፋ።","category":"መሰላት ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60844638"} {"headline":"ንምንታይ እየን ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ብኻራ ዝቕተላ ዘለዋ?","content":"ኣብዚ ሰሙን እዚ ሰለስተ ኤርትራውያን ኣደ ቖልዑ ሰብ ሓዳር ኣሓት፡ ሓንቲ ኣብ ዴንማርክ፡ እታ ካልአይቲ ኣብ ጀርመንን ሳልሰይቲ ኣብ ኖርወይ ብኻራ ከምዝተቐትላ ኣብ ማዕከናት ዜና ድሕሪ ምዝርግሑ ኣብ ስደት ዝርከብ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ጉህዩን ሰንቢዱን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓዘኑ ይገልጽ ኣሎ። ብዛዕባ'ቲ ቅትለት እንታይ ዝፍለጥ ነገር ኣሎ? ዴንማርክ ፖሊስ ደንማርክ ሓንቲ ጓል 28 ዓመት ኣደ ክልተ ቖልዑ ጓለንስተይቲ ኣብ ከተማ ኦሩስ: ቪቢይ፡ ኣብ ቅድሚ ደቃ ከምዝተቐትለት ኣብ ቦታ ፍጻሜ ብዝረኸቦ መረዳእታ ከምዘረጋገጸ ሓቢሩ። እታ መንእሰይ ብረብዕ 16 ታሕሳስ ብወዲ 38 ዓመት በዓል ቤታ ብካራ ከምዝተቐትለት ከምዝጥርጥር ዝገለጸ ፖሊስ ካብቶም ክልተ ደቃ እታ ጓል ኣርባዕተ ዓመት ሕጻን ኣብ ኢዳ ብካራ ተወጊኣ ከምዝጸንሐት ኣብ ጸብጻቡ ኣረዲኡ። ጀርመን ኣብ ከተማ ሬገንስቡርግ ጀርመን እውን ሓንቲ ጓል 31 ዓመት ኤርትራዊት ነብሰ ጾር ኣደ ኣብ ገዝኣ ተቐቲላ ተረኺባ። ፖሊስ እታ ከተማ ወዲ ሰለስተን ሓደ ዓመትን ደቃ ኣብ ጎድኒ ሬሳኣ ከምዝጸንሑ ሓቢሮም። እቲ ከምዝቐተላ ዝተጠርጠረ ወዲ 38 ዓመት ኤርትራዊ በዓል ቤታ ኣብ ሓዲድ መገዲ ባቡር ሞይቱ ከምዝተረኽበን ብዛዕባ እቲ ገበን ንምጽራይ ተወሳኺ መርመራ ይገብሩ ምህላዎም ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቓሊሓን። ኖርወይ ኣብ ኖርወይ እውን ሓንቲ ኤርትራዊት መንእሰይ ከምእተቐትለትን ጉዳያ ብፖሊስ ይረአ ከምዘሎን ነበርቲ እታ ከተማ ሓቢሮም። ዓሚ ሚያዝያ እውን ብ (07-04-2020) ኣብ ከተማ ቶሮንደሃይም ትርሓስ ተኽለ ክፍላይ እተባህለት ጓል 33 ዓመት ኣደ ኣርባዕተ ቖልዑ ከምእተቐትለት ፖሊስን ጋዜጣታትን እታ ሃገር ከምዝሓበራ ይዝከር። በዓል ቤታ ከኣ ከም ቀዳማይ ጥርጡር ብፖሊስ ተታሒዙ ጉዳዩ ይረአ ከምዘሎ ተሓቢሩ ነይሩ። ስዊዘርላንድ ብ22 ሚያዝያ 2021 እውን ኣደ ሰለስተ ቖልዑ፡ ጓል 34 ዓመት ኤርትራዊት ፌቨን ኣፍወርቂ ኣብ ከተማ ኑሻቴል ስዊዘርላንድ ብኻራ ተሃሪማ ኣብ ሆስፒታል ከምዝዓረፈት ምሕባሩ ኣብ እዋኑ ብዙሕ ከምዘዛረበ ዝዝከር እዩ። እቲ ብቕትለት ዝተጠርጠረ በዓል ቤታ ከኣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተወን ጉዳይ ብሕጊ ይረአ ምህላውን እውን ተነጊሩ ነይሩ። እዚ ወረ ኣብ ዝተፈላለያ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ማዕከናት ዜናን ምስተቓልሐ ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን \"እንታይ ኢና ንኸውን ዘሎና!\" ብዝብል ናይ ስምባደን ሻቕሎትን ቃናን ቴማን ሓባራዊ ዘተን ምምኽኻርን የካይዱ ኣለው። በቲ ክስተት ኣዝያ ዝጓሃየት ተቐማጢት ኖርወይ ወይዘሮ ሪም ናስር እቲ ተርእዮ ኣዝዩ ከምዘሻቕላ ብምግላጽ፡ ነዚ ዘሰምብድ ኩነታት ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራትን ከተማታትን ዝርከብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ተገዲሱ ፍታሕ ከናድየሉ ከምዝግባእ ንቢቢሲ ሓቢራ። \"እቲ ፍጻሜ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። እትረፍ ንዓይ ንጓለንስተይቲ፡ \"ኣደን ጓልን\" ንማንም ሰብ ዘሕዝን እዩ። ስለዝኾነ እዚ ኣብ ሓንቲ ሰሙን ዝተሰምዐ ቅትለት ኣደ ቘልዑን ነብሰ ጾራትን ሰለስተ አሕዋት ኣዴታት ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ\" ትብል። ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ዝነብሩሉ ሃገረ ስደት እናነበረ፡ ኣብ ሚድያታት \"ኤርትራውያን ነንስቶምን ኣደ ደቆምን ብኻራ ቐቲሎመን\" ዝብል ወረ ክውረ እንከሎ ልባ ከምዝስበር ትዛረብ። \"ብካራን ስሕለትን እንድሕር ምቅትታል ሃልዩ ደኣ ከመይ ኢልካ እዩ ዝንበር\" ብማለት ከኣ እቲ ፍጻሜ ኣዝዩ ከምዘሻቐላ ትሕብር። ኣብ ኖርወይ ኣብ ሓደ ስደተኛታት ዝመሃሩሉ ቤት ትምህርቲ ዝምህር ኣቶ ሙሴ ዳኘው ብወገኑ፡ እቲ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝነበረ ዘኹርዕ ባህልን ኣካይዳን ይብሕጎግ ብምህላው እዞም ንኤውሮጳ ዝኣተው መንእሰያት ግዳይ ዘቤታዊ ጎንጽን ሓድሕዳዊ ምቅትታልን ከም ዝኾኑ የረድእ። \"ልምድን ክብርታትን ሕብረተሰብ ኤርትራ ስለዝፈረሰ፤ ኣብ ርእሲኡ ኣብ ሳዋን ሃገራዊ ኣገልገሎትን ዝተጠርየ ጭካነ ስለዘሎ፤ እቲ ንኤውሮጳ ክመጽኡ እንከለዉ ኣብ ጉዕዞ ዘጋጥሞም ስቓይን ስነ ኣእምርኣዊ በሰላን ተደሚሩ ነዞም መንእሰያት የናውጾም ኣሎ\" ብማለት ምኽንያት እዚ ናብ ቅትለትን ነብሰ ቅትለትን ዘብጽሕ ዘሎ ነገር እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ህሉው ኩነታት ዘንቀሎ ከምዝኾነ እዩ ዝገልጽ። ኣብ ርእሲኡ እቶም መንእሰያት ኣብቲ ብስደት ዝኣተውዎ ሃገር ዝጸንሑ፡ ኣቐዲሞም ካብ ሃገር ሃዲሞም ዝተሰዱ ደቂ ሃገሮም፡ ንባዕላቶም ኣብ ጥጡሕ ዓዲ እናነበሩ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ፡ \"ዓዲ ገዲፍኩም፡ ሃገርን ህዝብን ክሒድኩም መጺእኩም\" ብማለት ጸቕጢ ስለዝፈጥሩሎም ስነ አእሙራዊ ኩነታት እቶም መንእሰያት ከምዝህሰ ይዛረብ። ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምዕራብ፡ ሃይማኖትን ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ብዘየገድስ ንኹሉ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ዝጥርንፍ ናይ ሓባር ኮሚዩኒቲ ስለዘየለ ነቶም ተሰዲዶም ዝመጽኡ መንእሰያት ዝሕብሕብን መገዲ ዝሕብርን ናይ አሕዋት ምትእኽኻብ ዘይምህላው ካልእ ተወሳኺ ጸገም ምዃኑ ኣቶ ሙሴ ዳኘው ይሕብር። \"ክሳብ ሕጂ ኣብዛ ዝነብረላ ሃገረ ኖርወይ ንኣብነት ንኹሉ እትሓቁፍ ካብ ሃይማኖትን ፖለቲካን ነጻ ዝኾነት ማሕበረ ኮም ክንፈጥር ተቓሊስና ግን ብሰንኪ ምትእትታው ናይ ስርዓት ህግደፍ ኣይሰለጠናን። \"ምኽንያቱ ህግደፍ ምስኡን ኣብ ትሕቲኡን ክትጥርነፍ እምበር ዝኾነ ይኹን ዓይነት ነጻ ምትእኽኻብ ኣይፈቅድን እዩ\" ክብል እቲ ዘጋጠሞ ጸገም ብምብራህ እቶም ናብ ኣውሮጳ ተሰዲዶም ዝመጽኡ መንእሰያት በቲ ቕድሚኦም ዝኣተወ ሰብ እኹል ምሕብሓብ ስለዘይግበረሎም ናብ ከምዚ ዓይንት ጎነጻዊ ስጉምትታተ ከምዝኣትው ርእይትኡ የቐምጥ። እዞም መንእሰያት ካብ ኤርትራ ጀሚሮም ንኹሉ ጉዕዞ ስደቶም ሰሃራን ባሕርን ብኸቢድ ስቓይን መከራን ስለዝሓለፉዎ፡ ስነ-አእምሮኣዊ ጸገማት ክህልዎም ግድን'ዩ ዝብል ምሁር ሳይኮሎጂ ዮውሃንስ ፈርዲናንድ ድራር፡ \" መራሕቲ ሃይማኖት ኮነ ኣቦታትን ኣዴታትን ምኽርን ምጽንናዕን ክህቡ ይግባእ\" ድሕሪ ምባል ኩሉ ኣባል ሕብረተሰብ ንእሽቲኡን ዓብን ብዛዕባ ዘቤታዊ ዓመጽ ብቕሉዕ ክዘራረብ ይግባእ ክብል ምኽሩ ይልግስ። ብፍላይ ኣብዚ ብለበዳ ኮቪድ ዘጋጠመ ናይ ዕጽዋ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ጾታዊ ዓመጽ ኣዝዩ ከምዝወሰኸን፡ ብዙሓት ደቀንስትዮ ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ፡ ኣካላዊ ማህረምትን ቅትለትን ከምዝኾና ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክገልጻ ጸኒሐን ኣለዋ። ይኹን እምበር ኣብ ሓደ ሰሙን እሞ ከኣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ሰለስተ ኣደ ቖልዑ መንእሰያት ብመጻምድተን ተቐቲለን ዝብል ወረ ዘየሰምብድ ኣይኮነን ዝበለት፡ ወይዘሮ ሪም ናስር እቲ ጸገም ኣብ መን ምህላው ዝያዳ ምምርማር ከምዝድሊ ብምሕባር እቲ ዝረኣ ዘሎ ጭካነ ግን ኣብ ብዙሓት ሰብ ሓዳር ምጥርጣራትን ዘይምትእምማንን ክፈጥር ከምዝኽእል ዘለዋ ስግኣት ትገልጽ። ብተወሳኺ ኣብ ብዙሓት ደቀንስትዮ ሰብ ሓዳር፡ ምስ ሰብኡትና ክንደይ ሽግርን ጸበባን ሓሊፍና መጺእና፡ ተኣማሚንና ብቃል ኪዳን ክንነብር ጸኒሕናስ ሕጂ ብካራን ስሕለትን ክንተሓራረድ ናይ ጥዕና ኣይኮነን ዝብል ስምባደ ከምዝፈጠረ ተረድእ። ኣብ መንእሰያት እኹል ወፊሪ ኣይተገበረን ዝብል እምነት ዘለዎ ኣቶ ሙሴ ዳኘው፡ ኣብ ሃገራት ወጻኢ ዘሎ ሕብረተሰብ ኣብ ክንዲ ብፖሎቲካ ክሰሓሓብ ዝውዕል \" ከመይ ገይርና ንመንእሰያትና ግቡእ ኣንፈት ነትሐዞምን ኣብነት ንኾኖምን\" ኣብ ዝብል ጉዳይ ክዛተ ከምዘለዎ ይመክር። \"ነዞም መንእሰያት ንምድሓን እንታይ ክንገብር ኣሎና ኢልና ንመኻኸር። ንሳቶም እንተድሒኖም ንዓና'ውን ድሕነት እዩ\" ብምባል ነዚ ዘሻቕል ኩነታት ንምምሕያሽ ነብሲ ወከፍ ሰብ ብውልቅን ከም እኩብ ብኮምን ዓቲቡ ክሓስበሉ ከምዝግባእ ተላብዩ። ምሁር ስነ-አእምሮን ልቦናን ኣቶ ዮውሃንስ ፈርዲናንድ እውን \"ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ ብዛዕባ ድሕነት እዞም ብስነ-አእምሮኣዊ ነውጺ ተጠቒዖም ዘለው መንእሰያት ደቅና ክንሓስብን ክንሰርሕን ግዴታ ኣሎና\" ክብል ሓሳቡ ይህብ። ኣብ ርእሲኡ እዞም ኣብ ምዕራብ ዓለም ኣትዮም ዘለው መንእሰያት ኣኣብ ዝነብርሉ ከተማ፡ ንዝተፈላለየ ጸገማት ሓገዝን ምኽርን ዝህባ ብትምህርትን ፍልጠትን ስነ ምግባርን ዝሰልጠኑ ብቑዓት ክኢላታት ዘለውወን ዓበይቲ ትካላት ስለዘለዋ ክጥቀሙለን ነብሶምን ስድረኦምን ከድሕኑ መገዲ ክንሕብር ይግባእ ክብል ዮውሃንስ ለበዋኡ የቕርብ።","category":"መሰላት ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59765765"} {"headline":"መቐለ - ኣዲስኣበባ - ዩክረይን. . . ዘደንቕ ጕዕዞ ትዕግስቲ","content":"\"ብእግርና 30 ኪሜ ተጓዒዝና፡ ኣብ ዶብ ን 14 ሰዓታት ደው ኢልና፣ ጥይት ከም ቆሎ ከንጣዕጥዕ ሰሚዕና፡ ነፈርቲ ውግእ ብዝባንና ክዝንብያ ርኢና፣ ዓሌታዊ ኣድልዎ ገጢሙና።\" እዚ ዛንታ ትዕግስቲ እዩ፡፡ ትዕግስቲ (ኣብዚ ታሪኽ ሽማ ዝተቐየረ)፡ ኣብዚ ክልተ ዓመት ዓለምና ብዝረኣየቶም ክልተ ውግኣት ዝሓለፈት እያ። ትዕግስቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ወርሒ እያ ናብ ዩክረይን ተጓዒዛ። ዋላ'ኳ ብናይ ተማሃራይ ቪዛ ናብ ኪቭ እንተኣተወት፡ ዕላማኣ ግን ንዩክረይን ከም መሰጋገሪ ምጥቃም እዩ ነይሩ፡፡ ነዊሕ እንተይጸነሐት ግን፡ ሩስያ ነጋሪት ኲናት ክትወቅዕ ጀሚራ፤ 'ሩስያ ንዩክረይን ክትወርር እያ፡' ዝብል ዜና ንዩክሬናውያን ብርቂ ኣይነበረን፡፡ \"ዋላ ኣብኡ ምስ በጻሕኩ እዚ ዜና ይስማዕ ነይሩ። ንሳቶም (ዩክሬናውያን) ግን ምንም ኣይመስሎምን። ክረምያ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ሓሓሊፉ ኲናት ስለዘሎ ልሙድ እዩ ነይሩ፡\" ትብል ትዕግስቲ። ኣዲስ ኣበባ ትዕግስቲ ቅድሚ ናብ ዩክረይን ምኻዳ ናብራኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዩ ነይሩ። ግዝያዊ ስራሕ እናሰረሐት ህይወታ ትመርሕ ከም ዝነበረት እትገልጽ ትዕግስቲ፡ ስድራኣ ኣብ መቐለ እዮም ዘለዉ። ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅመር ግን፡ ይትረፍ ከምድሌታ ተመላሊሳ ክትርእዮም፡ ብተሌፎን'ውን ደሃዮም ክትረክብ ኣይከኣለትን። \"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መሓዛይ ሓንቲ ንእስ ዝበለት ቤት መግቢ ከፊትና ንሰርሕ ነይርና። እቲ ዘካረየና ሰብ ግን፡ 'ተዛረብቲ ትግርኛ ስለዝኾነክን መዘዝ ከተምጽኣለይ ኢኽን' ዝብል ስግኣት ሓዲርዎ፣ ነቲ ስራሕ ክንገድፎ ወሲንና፡\" ትብል። ሰራዊት መንግስቲ ፌደራል ንከተማ መቐለ ምስተቘጻጸረን ብተዛማዲ ቅሩብ ምስተረጋግአን ግን ደሃይ ቤተሰባ ረኺባ ነይራ። መቐለ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናብ ትዕግስቲ ዝተደወለ ተሌፎን፡ መልእኽቲ ሞት ቤተሰብ ዝነግር ነይሩ። \"ይዝክር ናብ መቐለ እንትምለስ ኵነታት ተቐያይሮም ነይሮም። ኣጋጣሚ ዶ\/ር ኣብርሃም (ኣብቲ እዋን ሓላፊ ግዝያዊ መንግስቲ ዝነበረ) ኣብታ ዝተሳፈርናላ ኣውሮፕላን ስለዝነበረ፡ እቶም ሓለውቲ ነታ ነፋሪት ከቢቦምዋ ነይሮም። እታ ከተማ ብወተሃደራት ተኸቢባ፡ ብጽምዋ ተዋሒጣ ምርኣይ ቅሩብ ቅር ዘብል ነይሩ።\" ''ቅድሚኡ ኣብ መንገዲ ኣየር እንትትወርድ ታክሲ ብብዝሒ ትረክብ፣ ወተሃደራት ብዙሕ ኣይረኣዩን ነይሮም። ደሓር ግን ዘፍርሕ ነይሩ።'' ትዕግስቲ ናብ መቐለ ምስ ከደት ኣቦኣ ብህይወት ስለዝረኸበቶ ዝተሰመዓ ሓጐስ ወሰን ኣይነበሮም። \"ብዛዕባ እቲ ኣቦይ ዘሕለፎ ነገር ብዙሕ ክዛረብ ኣይደልን፣ እንተኾነ ከቢድ እዋን ከምዘሕለፈ ይነግረና ነይሩ።\" ትዕግስቲ ሓዘን በጺሓ፡ ወላዲኣ ሓቲታ፡ ፈተውታን ኣዝማዳን ረኺባ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተመለሰት ድሕሪ ሰሙን ሓይልታት ትግራይ ንከተማ መቐለ ተቘጻጺሮምዋ። መንገዲ ተዓጽዩ፣ ስልኪ እውን ተቛሪጹ። ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስተመለሰት፡ ናብ ወጻኢ ሃገር እትኸደሉ መንገዲታት ምድላይ ጀሚራ። ሽዑ እዩ ኸኣ ናብ ዩክረይን ምኻድ ዝብል ሓሳብ ዝመጽኣ። ስለምንታይ ዩክረይን? ትዕግስቲ ናብ ዩክረይን ምኻድ ቀሊል ከምዝኾነ ስለዝሰመዐት እያ ናብኡ ክትከይድ ወሲና። \"መሓዛይ፡ 'ናብ ዩክረይን እንተኼድና ቪዛ ምርካብ ከቢድ ኣይኮነን፣ ክፍሊት ትምህርቲ ክፍሊት'ውን ከም ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣይከብድን' ስለዝበለትኒ ብሓንሳብ ምሕሳብ ጀሚርና። ኣብቲ እዋን ብዙሕ ሰብ ንዩክረይን ከም መሰጋገሪ ንኽጥቀመላ የመልክት ነይሩ። \"ኣነ ዕድለኛ ኮይነ ብዘይ ኤጀንት (ወኪል) እየ ኣመልኪተ። ክንዲ'ቶም ብኤጀንት ኣቢሎም ዘመልከቱ ዝገበርዎ ወጻኢ ኣየውጻእኩን። ኣብ መጀመርታ ኣይሰለጠናን፣ ኣብ ካልኣይ ዙር ግን ሰሊጡና።\" ትዕግስቲ ኵሉ ሰሚሩላ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ናብ ኪቭ ከይዳ። ኪቭ ትዕግስቲ ብፍሕሹው ገጽ ናብታ ርእሰ ከተማ ዩክረይን ምስ በጸሐት፡ ከቢድ ቁሪ ከምዝተቐበላ ትዝክር። ''ክትጻወሮ ከቢድ እዩ፣ ኣብ ኪቭ ስለዝነበርኩ ግን፡ ኣብኡ ኸኣ ብተዛማዲ እንግሊዝኛ ዝዛረብ ብዙሕ ሰብ ስለዘሎ ሓጊዙኒ። መሓዛይ ቀዲማ ኣትያ ስለዝነበረት ገዛ ተኻርያ ኵሉ ነገር ኣዳልያ እያ ተጸብየትኒ። \"ኣብ ዩክረይን ንምጽናሕ ሕጋዊ ወረቐት ስለዘድሊ ናብ ቤት ትምህርቲ ከይደ፡ ናይ ሓደ ዓመት ክፍሊት ከፊለ ኣመልኪተ፣ ፍቓድ'ውን ተዋሂቡኒ። ንናይ ቋንቋ ትምህርቲ እንተኾይኑ ናይ ሓደ ዓመት ፍቓድ ይህቡ እዮም። ንናይ ዲግሪ ትምህርቲ እንተኾይኑ ድማ ናይ ኣርባዕተ ዓመት መንበሪ ፍቓድ ትረክብ።\" ትዕግስቲ ንዩክረይን ከም መሰጋገሪ ተጠቒማ ድሕሪ ሓደ ክልተ ዓመት ናብ ኣመሪካ ንምኻድ ትልሚ ነይሩዋ። \"ዩክረይን ምስ ኣተኹ ሓሳበይ ቀዪረ፣ ናብ ሓንቲ ካብተን 'ሸንገን ቪዛ' ዝጥቀማ ሃገራት ክኸይድ ወሲነ።\" ወረ ኲናት ትዕግስቲ ናብ ዩክረይን ካብ ዝኣተወትሉ እዋን ጀሚሩ፡ 'ሩስያ ንዩክረይን ክትወራ ዶ ትኸውን?' ዝብል ሕቶ ደጋጊሙ ይለዓል ነይሩ። \"ርግጽ እዩ ኣነ ካብ ዝኸይድ ነዊሕ ኣይገበርኩን። ክረምያ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ዝሕል ዝበለ ኲናት ከምዘሎ ግን ንሰምዕ ነይርና። ኣብ ስራሕ እናሃለኹ ንገለ ዩክሬናውያን ይሓቶም ስለዝነበርኩ፡ 'ኣጆኹም መፈራርሒ እዩ፡ ኵሉሳዕ እንሰምዖ እዩ፡' ይብሉኒ ነይሮም። \"ትሰርሒ ኔርኪ ዲኺ?\" \"ብርግጽ ንትምህርቲ መጺና ስራሕ ክንሰርሕ ኣይፍቀደናን። ብዙሓት ተማሃሮ ግን ንባዕሎም ንምሕጋዝ ዝተፈላለየ ስራሕ ይሰርሑ እዮም። ብፍላይ ቋንቋ እንግሊዝ ትመልኽ እንተዄንካ ይደልዩኻ እዮም። ኣነ እውን ስፖርት የስርሕ ነይረ።\" መዓልቲ ወራር ብኣቈጻጽራ ግእዝ ረቡዕ 17 ለካቲት 2014 ወጋሕታ፡ ሩስያ ንዩክረይን ብዕሊ ወሪራታ። ዓለም ድማ ዓይናን እዝናን ተኺላ ኣድህቦኣ ናብኡ ገበረት። ሰራዊት ሩስያ ኣብ ሰዓታት እንተዘይኰነ ኸኣ ኣብ ሒደት መዓልታት ንኪቭ ክቈጻጸር'ዩ 'ውን ተባሂሉ። ኣብታ መዓልቲን ሰዓትን ትዕግስትን መሓዙታን ገና ካብ ድቃሰን ኣይተስኣን ዝነበራ። ሃንደበት ካብ ገዛኹም ኣይትውጽኡ ዝብል መልእኽቲ ብቴሌግራም ክመሓላለፍ፣ ሓሓሊፉ ድማ ድምጺ መዳፍዕ ክስማዕ ጀሚሩ። ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ኵሉ ነገር ተሓዋወሰ። \"ወጋሕታ ሰዓት 12 ኣቢሉ እዩ ስራሕ ኣይትምጽኡ ዝብል መልእኽቲ ዝበጸሐና። ተዅሲ ክንሰምዕ ጀሚርና። ኪቭ ክትጥቃዕ እያ ይበሃል ስለዝነበረ ክንወጽእ ወሲንና። ሰዓት ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ምስ ኮነ ናብ መሓዙትና ክንሕወስ መደብ ነይሩና። ካብቲ እንነብረሉ ከባቢ ተበጊስካ ናብ ማእከል ከተማ ንምኻድ ሓደ ሩባ ክተቋርጽ ኣለካ። እቲ እንሰግረሉ ድልድል ክውቃዕ ይኸእል እዩ ዝብል ስግኣት ነይሩና።\" በዓል ትዕግስቲ ናብ ከተማ ምስወጻ ኣገልግሎት ባንኪ ይዅን ድኳን ንምርካብ ነዊሕ መስርዕ ነይሩ፤ መጓዓዝያ ምርካብ ከኣ ዘይሕሰብ ኮነ። መንገድታት ከም ዝተጨናነቐን መደበር ባቡር'ውን ሰብ መሊኡ ከምዝነበረ ትዝክር። \"ካልእ እዋን ብ 500 [ባጤራ ዩክረይን] ዝኽየድ ዝነበረ መንገዲ ብኡ ንብኡ 5 - 6 ሽሕ በጺሑ።\" ትዕግስትን መሓዛኣን ምስ ካልኦት ዝፈልጣኦም ደቂ ምዕራብ ኣፍሪቃ እታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ኣብ ኪቭ ኣሕሊፎምዋ። ኣብቲ ዝቕጽል መዓልቲ፡ ኪቭ ብድምጺ ጠያይትን መጥቃዕቲ ኣየርን ተናወጸት። ኣብታ ከተማ ዝርከብ ድምጺ እዋን ሓደጋ ክስማዕ ጀመረ። \"ሃንደበት ኣብ ከተማ እናሃለና 'ሳይረን' ሰሚዕና፣ ነብስኻ ንምድሓን ጉያ ኮይኑ። እቲ መጥቃዕቲ ካበይ ከም ዝመጽእ ኣይፍለጥን። ብሰማይ ነፈርቲ ጉግ ይብላ፣ ካብ ርሑቕ ከኣ ተዅሲ ንሰምዕ ኔርና። ኵሉ ሰብ ካብቲ መጥቃዕቲ ንምህዳም ኣብ ትሕቲ መሬት ናብ ዘሎ ነቝጣታት ባቡር ክኣቱ ጀሚሩ፣ ንሕና'ውን ኣቲና።\" ትዕግስትን መሓዙታን ነታ ካልኣይቲ መዓልቲ ብኸምዚ ምስ ኣሕለፍኣ። ብድሕረኡ ናብታ ናብ ዶብ ፖላንድ ዝቐረበት ከተማ ለቪቭ ክኸዳ ወሲነን፣ ዓላማአን ናብ ፖላንድ ምእታው'ዩ ነይሩ። \"ይትረፍ ንሕና እቶም ዜጋታት'ውን ጠቕሊሎም ይወጹ ነይሮም። በረራ ከምዝተኣገደ ንፈልጥ ኢና። ስለዚ ብመኪና ይዅን ብባቡር ዋላ ብእግሪ ዘሎ ኣማራጺታት ተጠቒምና ክንወጽእ ነይሩና።\" ጕዕዞ ናብ ለቪቭ ትዕግስትን ካልኦት ሸሞንተ መሓዙታን ድሕሪ ነዊሕ ትጽቢት ናብ ለቪቭ እትወስድ መኪና ተኻረያ። \"ሸሞንተ ስለዝነበርና ኣርባዕተና ኣብ ሓንቲ መኪና እቶም ካልኦት ድማ ኣብ ካልእ መኪና ክንከውን ነይሩና። እቲ ብልሙድ 7 - 8 ሰዓት ዝወስድ መንገዲ ኣብ 24 ሰዓት ኢና ወዲእናዮ። ሓያል ምጭንናቕ ትራፊክ ነይሩ። ኣብ መንገዲ ታንክታት ብብዝሒ ነይረን፣ መዳፍዕን ዝዓጠቑ ወተሃደራት ይንቀሳቐሱ ነይሮም።\" በዓል ትዕግስቲ እዚ ዅሉ መንገዲ ተጓዒዞም ኣብቲ ዝደለይዎ ዶብ ፖላንድ ኣይበጽሑን። እቲ በዓል መኪና ኣብ ሓደ ነቝጣ ባቡር ኣውሪዱዎም ተመሊሱ። \"ደጊምና ካልእ ታኽሲ ከብጸሐና ክነዘራርብ ጀሚርና፣ እቲ ታክሲ'ውን ነዊሕ ኣይወሰደናን፣ ቅሩብ ምስተጓዓዝና ደርብዩና ተመሊሱ። ዝነበረና ኣማራጺ ብእግሪ ምጕዓዝ እዩ ነይሩ። ልዕሊ 30 ኪሜ ብእግርና ተጓዒዝና። 'ሰለስተ ሰዓት እዩ ዝወስድ' ኢሎምና ነይሮም። ግን ልዕሊ 5 ሰዓት ዝኸውን እዩ ወሲዱልና።\" ትዕግስቲ ከምእትብሎ ናብ ዶብ ፖላንድ ካብ ብመኪና ብእግሪ እዩ ዝሰልጥ። ምኽንያቱ ብዙሓት ሰባት መኪናኦም ሒዞም ስለዝወጹ፡ እቲ መንገዲ ዓቕሉ ጸቢብዎ ነይሩ። \"ብእግሪ ተጓዒዝና ኣብ ዶብ እንትንበጽሕ ቀዲሞምና ብመኪና ዝወጹ መሓዙትና ኣይበጽሑን ነይሮም።\" መፈተሺ ነቝጣ ፖላንድ ''ክነገረካ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ፡ ኣብቲ ዶብ ዘጋጠመና ነገር ኣብ ጕዕዞና እቲ ዝኸበደ እዩ፣ ተስፋ ዘቝርጽ። ካብ ገዛና ካብ እንወጽእ ሰለስተ መዓልቲ ኰይኑና ነይሩ፣ ምግቢ'ኳ ብስርዓት ኣይበላዕናን። እኹል ድቃስ ኣይደቀስናን። ነገሩ ምግብን ድቃሰን ኣብቲ ሰዓት ትዝ ኣይብለካን።\" ኣብ ዶብ ፖላንድ ዝነበረ ቝሪ፡ \"ንጸላኢኻ'ውን ኣይትምነየሉን\" ትብል ትዕግስቲ። \" እቲ ወቕቲ 'ዊንተር' ስለዝዀነ እቲ ቝሪ ትሕቲ ዜሮ (ነገቲቭ) እዩ። እቲ ኲናት ዘይቀተለና ቍሪ ክቐትለና እዩ ኢልና ተስፋ ቘሪጽና ኔርና። ቀትሪ እቲ ቝሪ ንኡሽተይ ይቕንስ እዩ። ''እዚ ዅሉ ተጻዊርና ከይንሓልፍ ድማ ኣብ ዶብ ዘለዉ ወተሃደራት ዩክረይን ቀዳምነት ንዩክሬናውያን እዩ ኢሎም ከልኪሎምና። ዝነበረ ኣማረጺ ደው ኢልካ ምጽባይ እዩ። ንልዕሊ 14 ሰዓታት ተጸቢና። ንደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ቀዳምነት ይወሃብ ተባሂሉ'ኳ ንዩክሬናውያን እምበር ናዓና ቍሊሕ ኢሉ ዝረኣየና ኣይነበረን።\" ኣብቲ ብሰብ ዝተጨናነቐ ዶብ ዩክረይንን ፖላንድን ጾታዊ ትንኮያ ይበጽሐን ከምዝነበረ ትዕግስቲ ትገልጽ። \"ብበዝሒ ደው ምባል፡ ደው ዝበልናሉ መሬት'ኳ ኣይንፈልጦን። ኣብ ርእሲኡ ኣነን ኣዋልድ መሓዙተይን ካብ ቅድሚትን ድሕሪትን ጾታዊ ትንኮያ ይበጽሐና ነይሩ። \"ከም መጠን ጓልኣንስተይቲ እቲ ኵነታት ከቢድ ነይሩ። ብተወሳኺ ጸሊም ከምሰብ ዘይቑጸረሉ ከባቢ እዩ፣ ቆርበትካ ጸሊም እንተኾይኑ ዋጋ የብልካን።\" ኣብ መወዳእታ ዶብ ክሰግሩ ዝተኣከቡ ኣፍሪቃውያን ዓመጽ ኣልዒሎም፤ ብውሑድ ነተን ደቂ ኣንስትዮ ኣስግሩልና ኢሎም ነቶም ሓለውቲ ተማሕጺኖምዎም። ''እንተነኣሰ እተን ደቂ ኣንስትዮ ይሕለፋ ምስተባህለ ኢና ሓጹር ዘሊልና ዝወጻእና። ድሕሪ መዓልቲታት ናብ ፖላንድ ምስ ኣተና ኢና እፎይ ኢልና።\" ፖላንድ ትዕግስቲን መሓዙታን ናብ ፖላንድ ምስኣተው፡ ናብቲ ካብ ዩክረይን ዝመጹ ሰባት ዝእከቡሉ ኣብ ርእሰ ከተማ ዋርሶ ዝርከብ ማእከላይ መደበር ባቡር ኣምሪሖም። \"ካብ ዩክረይን ከም ዝመጻእና ዝነግር ማሕተም ምስተገበረልና፡ ሓንቲ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ንዜጋታታ ናብ ዘዳለወቶ ኣውቶብስ፡ ኢትዮጵያውያን ኢና ተማልኡና ምስበልናዮም ኣሳፊሮም ወሲዶምና። ኣብኡ ኵሉ ነገር ብነጻ ተዳልዩ ጸኒሑና። ዝብላዕን ዘስተን ረኺብና።\" ትዕግስቲ ንፖላንዳውያን ኣመስጊና ኣይትጸግቦምን። ''ዶብ ምስ ሰገርና ዝረኸቡና ፖሊስ (ፖላንድ) ጸሊም ጻዕዳ ኣይብሉን፣ ንዅሉ እዮም ዝሕግዙ። ናብ ከተማ ምስኣተና'ውን ተኸናኺኖምና።\" ናብ ፖላንድ ምስኣተዉ ንኽልተ መዓልቲ ኢትዮጵያውያን ተማሃሮ ኣብ ዝነበርዎ ቦታ ኣዕሪፎም። ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ምስኦም ካብ ኪቭ ዝመጸ ካሜሩናዊ ኣብ ፖላንዳውያን ኣዝማዱ ሓዲሮም ናብ ጀርመን ክቕጽሉ ሓሳብ ስለዘቕረበሎም ሓቢሮም ከዱ። ''እቶም ፖላንዳውያን ለዋሃት ነይሮም። ከም ኢትጵያዊት ኣደ ምዕጉርትኻ፡ ግንባርካ ስዒማ ምግቢ ቋጺራ እትሰኒ ፈረንጂ ርእየ ኣይፈልጥን። ለይቲ ሰዓት ትሸዓተ ተሲኦም ናብ ባቡር ጣብያ ኣብጺሖምና። ከም ኣቦን ኣደን ሓቚፎም ስዒሞም ኣፋንዮምና።\" ዓሌታውነት ትዕግስቲ፡ ኣብቲ ግዜ ኲናት ኣብ ዶብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ግዜ ሰላም'ውን ኣብ ዩክረይን ዓይኑ ዘፍጠጠ ዓሌታውነት ከምዘሎ እያ እትዝክር። ''ብቋንቋ ኣይትረዳዳእን። ዝኾነ ነገር እንተጋጢምካ ዝበጽሐልካ የለን። ኣብ ዩክረይን ድሕነት ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን። ኣነኳ ብርህ ዝበልኩ ስለዝዀንኩ ህንዳዊት ወይ ኮሎምቢያት እየ ዝመስሎም። ዘይሩ ዘይሩ ካልእ ዜጋ ግን ካልእ ዜጋ እዩ።\" ቀጺላ፡ \"ጸሊም እንተዄንካ ከም ዋዛ ሞይትካ ክትርከብ ትኽእል ኢኻ። ዝሓቶም ሰብ የለን፣ መሰል የብልካን። ኣብ ሱፐር ማርኬት ኣቲኻ 'ማንኪ፡ ማንኪ' (ህበይ) ኢሎም ዝጻረፉ ኣለዉ። ከምኡ ኮይኑ ግን ንነብር ኔርና. . .ከቢድ ሃገር እዩ፡\" ትብል። ትዕግስቲ ኣብ ዶብ ፖላንድ ዘጋጠማ ጾታዊ ትንኮያን ምፍርራሕን ካብ ኣእምሮኣ ኣይወጽአን። ኣብቲ ዶብ ዝነበሩ ትካላት ረድኤት'ውን ነቶም ጸለምቲ ንምሕጋዝ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን፡ ትብል። ፍራንክፈርት ትዕግስቲ ቤተሰባ ሐዚውን መቐለ እዮም ዘለዉ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ እውን ኣዝማድ ኣለዉዋ። ኣብ መንገዳ ዝነበረ ኵነታት ንሓፍታ ተፍልጣ ነይራ። \"ቤተሰብ ምሽቓሉ ኣይተርፍን፣ ይትረፍ ኣብ ከምዚ ኵነታት ኴንካ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣሰላ'ኳ እናኸድካ ቤተሰብ ይጭነቕ እዩ። ናይ ኣቦይ ጭንቀት የሻቕለኒ ነይሩ፣ ኣቦይ ብጣዕሚ እየ ዝፈትዎ። ብህይወት ዘለኹ ኣይመሰሎን ነይሩ። ከም ሓዘንተኛ ተታሒዙ ነይሩ እንተበልኩ ምግናን ኣይኮነን።\" ትዕግስትን መሓዛኣን ኣብዚ እዋን ኣብ ፍራንክፈርት ምስ ዘመድ ኣዕሪፈን ኣለዋ። ናብ ጀርመን ምእታው ከቢድ ከምዘይነበረ እያ እትገልጽ። ናብ ፖላንድ ምስ ኣተዋ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጀርመን ተሓባቢርወን እዩ። ትዕግስቲ ንቐጻሊ እንታይ ከምዝጽበያ ኣይትፈልጥን። ንግዚኡ መንግስቲ ጀርመን ካብ ዩክረይን ንዝመጹ ተቐቢሉ የተኣናግድ ኣሎ። \"ነዊሕ መንገዲ መጺእና ኣለና። ብዙሕ ነገር ርኢና ኢና። ካብ ገዛ ሓንቲ ቕያር ክዳን ሒዝና ኢና መጺእና። ሐዚ'ውን እግዚኣብሄር ይፈልጥ ኢልና ብተስፋ ንጽበ ኣለና። ያው ከም ሰብ ዝሓሸ ነገር ትድሊ ኢኻ።\" ትዕግስቲ ሓደ ነገር ግን ከይርሳዕ ትብል፡፡ \"ናተይ ስለዝሰማዕካ እምበር ኣሕዋተይን ኣሓተይን'ውን ነዚ ኣሕሊፎም እዮም።\" \"ንሕና ዝረአናዮ ማንም ክርእዮ ኣይደልን፣ ንማንም ኣይምነየሉን። ኣብ መንገዲ ዝረኣናዮም ህጻናት፡ ኣዴታት. . . ብጣዕሚ እዩ ዘሕዝን። ሓደ ሓደ ግዜ ብቓላት ዘይትገልጾ ብንብዓት ኢኻ ትገልጾ፡\" ትብል። ትዕግስቲ፡ ሰላም'ውን እንተኾነ ናብ ዩክረይን ክትምለስ ኣይትደልይን። \"ሃገር ሰላም እንተዝኸውን ናብ ቤተሰበይ ምምላስ እየ ዝደሊ፡\" ትብል።","category":"መሰላት ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60893469"} {"headline":"ንምንታይ'ዩ ኣብ ሞንጎ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዘሎ ናይ ደሞዝ ፍልልይ ሰፊሑ?","content":"ሰብ ሞያ ስርዓተ ጾታን ተሓለቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ካብ ሞንጎ ዘልዕሉዎም መሰረታዊ ሕቶታት እቲ ሓደ፡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ማዕረ ክፍሊት ኣይረኽቡን ዝብል እዩ። ክልቲኦም ጾታ ኣብ ተመሳሳሊ ዓውዲ ተቖጺሮም እናሃለው ደቂ ተባዕትዮ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ንላዕሊ ክፍሊት ዝረኽቡለን ሃገራት ብዙሓት እየን። እዚ ኣፈላላይ ንክተርፍ ዝግበር ቃልሲ ቀሊል ኣይኮነን፤ እንተኾነ እንትርፎ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት እዚ'ዩ ዝብሃል ለውጢ ከም ዘይመጽአ ሓደ መጽናዕቲ የመልክት። ኢንስቲትዩት ፎር ፊስካል ስተዲስ (አይኤፍኤስ) ዝተባህለ ትካል ከም ዝብሎ እቲ ዝተሓተ ናይ ደሞዝ መጠን ሓፍ ምባሉ እቶት ትሑት መሃያ ዝረኽቡ ሰባት ክውስኽ ሓጊዙ'ዩ። ይኹን'ምበር ኣፈላላይ ደሞዝ ካብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ናይ ዝምረቑ ሰባት ክመሓየሽ ኣይክኣለን። ኣይኤፍኤስ ንዓባይ ብሪጣኒያ ከም ኣብነት ወሲዱ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ እቲ ናይ ክፍሊት ኣፈላላይ ብሰለስተ መዐቀኒታት ከም ዝመዘኖ ይጠቅስ። እዚኦም ስራሕ፣ ሰዓትን ናይ ደሞዝ ዓቐንን እዮም። ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ሰራሕተኛታት ንላዕሊ ን50 ሰዓታት ከም ዝሰርሓ እቲ መጽናዕቲ የመልክት። እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣደታት ምስ ኾና እቲ ክፍሊትን ሰዓት ስራሕን እናሰፍሐ ይኸይድ። እቲ ናይ ክፍሊት ኣፈላላይ'ኳ እንተዘይጸበበ፡ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ እናተምሃራ ብምምጽአን ለውጢ ተራእዩ እዩ። ኣብ 2019 ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ካብ ወዲ ተባዕታይ ሰራሕተኛ 40 ሚኢታዊት ዝንእስ እቶት ትረክብ ነይራ። እዚ ኣብ 1990ታት ምስ ዝነበረ ኣፈላላይ ክነጻጸር እንከሎ ምምሕያሽ ምርኣዩ ዝክሓድ ኣይኮነን። ነዚ ድማ ንደቂ ኣንስትዮ ክፉታት ዝኾኑ ዕድላት ትምህርቲ ምህላዎም'ዩ። ቅድሚ 25 ዓመታት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ሰራሕተኛ ዲግሪ ናይ ምርካብ ዕድላ ጸቢብ ነይሩ፤ ሕጂ ግን ለውጢ ኣሎ። ካብዚ ብዝብገስ በዓልቲ ሞያ ስነ ቑጠባ ኣሊሰን ኣንድሪው ትምህርቲ ናይ ደሞዝ ኣፈላላይ ኣብ ምጽባብ ኣበርክቶ ገይሩ'ዩ ትብል። ናይ ፖሊሲ ክፍተት ኣብ ሞንጎ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ማዕረ ምቕሎ ዕዮ ንክህሉ በብግዝኡ ናይ ፖሊሲ ምምሕያሻት እንተተገብሩ'ውን እኹል ከም ዘይኮነ ተመራመርቲ ይገልጹ። እዚ መጽናዕቲ እቶም ፖሊሲታት \"ድኹም\" ከምኡ'ውን \"ባህላዊ ግደ ጾታ ዝኽተሉ\" ይብሎም። ደቂ ኣንስትዮ ሓላፍነተን \"ቖልዓ ምዕባይ'ዩ\" ዝብል ዝንቡዕ ተባዕታዊ ኣተሓሳስባ ኣረኣእያ ሕብረተሰብ ንድሕሪት ከም ዝጎቶ'ውን ይገልጽ። ኣብ ለንደን መምህር ስነ ቑጠባ ዝኾነት ዶክተር ግሬስ ሎርዳን እቲ ናይ ደሞዝ ኣፈላላይ ንዓመታት ክልወጥ ዘይምኽኣሉ ዘገርም ኣይኮነን ትብል። \"ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ሓደ ዓይነት ዲግሪ እንተሃለዎም'ውን ደቂ ኣንስትዮ ዝተሓተ'ዩ ዝኽፈለን። መንግስቲ እዚ ንምልዋጥ ኣሰራርሓ ትካላት ክመሓየሽ ጸቕጢ ክገብር ኣለዎ\" ትብል። መራሒት እዚ መጽናዕቲ ሞኒካ ኮስታዲያዝ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ዝተማህራ እንተኾና'ውን ኣብ ዝሓለፈ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ናይ ክፍሊት ምምሕያሽ ኣይተርኣየን ትብል። \"ኣብ ምቑጻር ስራሕ፣ ሰዓትን ናይ ደሞዝ ዓቐንን ዘሎ ፍልልይ ኣይተቐየረን። ደቂ ኣንስትዮ ብዝበለጸ እናተምሃራ ምምጽአን እቲ ፍልልይ ክፍሊት ከጽብቦ እዩ ኢልና ትጽቢት ክንገብር ኣይንኽእልን\" ኢላ። ቖልዑት ምሕብሓብን ናይ ገዛ ስራሕትን ሓዊሱ ካልኦት ብዘይኽፍሊት ዝስርሑ ስራሕቲ ዚያዳ ደቂ ኣንስትዮ'የን ዝዓምኦም። ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ደቂ ኣንስትዮ ብኽፍሊት ዝሰርሕኦም ስራሕቲ እንተወሰኹ'ውን ብዘይኽፍሊት ዝሰርሕኦም ግን ሕጂ'ውን ኣይነከዩን። ሞኒካ ከም እትብሎ ኣባላት ሓደ ቤተ ሰብ ዝሕዙዎ ስራሕ ማዕረ ክፍሊት ንክህልዎ ዘገድዱ ፖሊሲታት ክወጽኡ ኣለዎም። ተሞክሮ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ስዊዘርላንድ: ሰብ ሓዳር ቖልዓ ክወልዱ እንከለው ደቂ ተባዕትዮ ዕረፍቲ ንክረኽቡ ዘኽእል ሕጊ ኣጽዲቓ። እዚ ጾታዊ ማዕርነት ንምርግጋጽ ዝዓለመ'ዩ። ቖልዑ ንምሕብሓብ ዝወጽእ ገንዘብ ካብ ምምዳብ ክሳብ ናይ ወሊድ ፍቓድ ዝብል ዝተመሓየሸ ሕጊ ዘውጽኣ ሃገራት ኣብ ደሞዝ ዘለወን ኣፈላላይ ጸቢብ ከም ዝኾነ እቲ መጽናዕቲ ይሕብር። ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ክልቲኦም ደሞዝተኛታት ዝኾኑ መጻምዲ ልዕሊ 20 ሚኢታዊት ኣታዊኦም ቖልዓ ንምዕባይ'ዩ ዝውዕል። ኣብታ ሃገር ዘሎ ናይ ደሞዝ ፍልልይ ብምኽንያት ፖሊሲ፣ ማሕበራውን ባህላውን መትከላት ዝስዓበ ከም ዝኾነ እቲ መጽናዕቲ የመልክት። ፍቓድ ወሊድ ንደቂ ኣንስትዮ ስለ ዝውሃብ ድማ ቖልዑ ንምሕብሓብ ዝወጽእ ወጻኢ ኣብ ልዕሊአን ይወድቕ። እዚ ድማ ናይ ክፍሊት ፍልልይ ክሰፍሕ ይገብር። ዶክተር ግሬስ ሎርዳን ከም እትብሎ እዚ ንምጽባብ ስዊዘርላንድ ኣብነት እትኸውን ሃገር እያ። ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ፍቓድ ወሊድ ክረኽቡ እንከለው ማሕበራዊ ኣረኣእያ ብምቕያር ብመንጽር ወጻኢታት'ውን ደጋፊ ምዃኑ ይእመነሉ። እዚ መጽናዕቲ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝተሰርሐ እኳ እንተኾነ እቲ ጸገም ግን ዓለማዊ እዩ። መንግስቲ ብሪጣኒያ ነቲ ኣፈላላይ ንምምሕያሽ ሓላፍነቱ ከም ዝፍጽም ኣፍሊጡ ኣሎ። በዚ መሰረት ምቹእ ናይ ስራሕ ሰዓት ክህሉ ምግባር፣ ደቂ ተባዕትዮ ፍቓድ ወሊድ ክረኽቡ፣ ቖልዑ ንምሕብሓብ ዝውዕል ሓገዝ ምውሳኽን ብስራሕ ንዝጽመዱ ወለዲ ነጻ መጽንሒ ቖልዑት ምድላውን ዝብሉ ስጉምታት ወሲዳ። መንግስቲ እታ ሃገር እቲ ኣፈላላይ ብተዛማዲ እናጸበበ ምምጽኡ ይገልጽ። ኣብ 2010 ምስ ዝነበረ ብምውድዳር ድማ 1.9 ሚሊዮን ደቂ ኣንስትዮ ስራሕ ሒዘን ኣለዋ።","category":"መሰላት ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59633205"} {"headline":"ጠንቆልቲ ተባሂለን ንዝተቐትላ 700 ደቂ ኣንስትዮ ምሕረት ተገይሩለን","content":"ኣብ ስፔይን ካታሎኒያ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት “ጠንቆልቲ” ብዝብል ገበን ዝተቐተላ ልዕሊ 700 ደቂኣንስትዮ ምሕረት ከምዝተገበረለን ተገሊጹ። ፓርላማ ክልል ካታላን ነተን ካብ መበል 15 ክሳብ 18 ክፍለዘመን ገበን ጥንቆላ ፈጺመን ብዝብል ክሲ ዝተቐተላ ደቂኣንስትዮ ብወግዒ ምሕረት ከምዝገበረ ኣፍሊጡ’ሎ። ኣብቶም እዋናት ልዕሊ 700 ደቂኣንስትዮ ብጥንቆላ ገበነኛታት ኮይነን ተረኺበን ብዝብል ብዘስካሕኽሕ ከምዝተቐተላ ዝዘከሩ ኣባላት እቲ ፓርላማ፡ ነቲ ናይ ምሕረት ውሳነ ዘሕለፉሉ ምኽንያት ድማ ታሪኽ ናይተን ግዳያት ብሰናይ መልክዑ ንምዝካር ብዝብል ከምዝኾነ ኣረዲኦም። ተመራመርቲ ታሪኽ ስፐይን፡ ግዝኣት ካታሎኒያ “ጠንቆልቲ” ንዝብሃላ ደቂኣንስትዮ ብምህዳን ኣብ ኣውሮጳ ኣብ ቅድሚት ከምእትስራዕ ብመጽናዕቲ ኣረጋጊጽና ይብሉ። ግዝኣት ካታሎን እተን ብጥንቆላ ዝኽሰሳ ደቂኣንስትዮ ብዝለዓለ ብዝሒ ቅጽዓት ሞት ካብ ሞንጎ ዝተፈጸመለን ከባብታት ከምዝኾነት’ውን ይዝረብ። “ካብ 15 ክሳብ 18 ክፍለዘመን ኣብ ዝነበረ እዋን ካብ ሞንጎ ናይ ዝተጓነያ፣ ዝተሳቐያን ብግፍዒ ዝተቐተላን ልዕሊ 700 ደቂኣንስትዮ ኣስማት ኣብ ቀረባ እዋን ረኺብና ኣለና” ክብሉ እቶም ነቲ ውሳነ ዘሕለፉ ጉጅለ ኣባላት ፓርላማ ኣፍሊጦም። እተን ብገበን “ጥንቆላ” ዝተኸሰሳ ደቂኣንስትዮ ኣብ ህጻናት ንዘጋጥም ሃንደበታዊ ሞት ከምኡ’ውን መጠን ፍርያት (ምህርቲ) ኣብ ዝንክየሉ እዋን፡ በቲ ኹነታት ተሓተትቲ ይኾና ምንባረን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ባርሴሎና፡ ፕሮፌሰር ዘመናዊ ታሪኽ ፓው ካስቴል ይዛረቡ። እተን ደገፍቲ ናጽነትን ጉጅለ የማናይ ክንፊን ዝኾና ደቂኣንስትዮ ኣባላት ፓርላማ “ንጾታዊ መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ እዩ በጺሕወን” ብምባል፡ ብስም እተን ግዳያት ጎደናታት ብምስያም ክዝከራን ብሰናይ ስም ክኽበራን ሓቲተን። ኣብ ምሉእ ኣውሮጳ ዝበዝሓ ደቂኣንስትዮ ዝርከብኦም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝግመቱ ሰባት ብጥንቆላ ተኸሲሶም ናይ ሞት ፍርዲ ከምዝተፈረዶም ይእመን። ኣብ ስኮትላንድ፣ ስዊዘርላንድን ኖርወይን እውን ተመሳሰልቲ ስጉምትታት ከምዝተወሰዱ ይግለጽ። “ቀደም ‘ጠንቆልቲ’ እናበሉ ይጽውዑና ነይሮም። ሎሚ ድማ ‘ፌሚናዚስ’ ወይ ብወሲባዊ ርክብ ዝተቖጥዓ እናበሉ ይጽውዑና። ቀደም ‘ጠንቆልቲ ኢና ንሃድን' እናበሉ ይቐትሉና ነይሮም። ኣብዚ እዋን ከኣ ጓልኣንስተይቲ ናብ ምቕታል ‘ፊምሳይድ’ ተቐይሩ’ሎ” ክትብል ምኽትል ናይቲ ኣብ ግዝኣት ካታላን ዝርከብ ገዛኢ ሰልፊ ‘ኢ ኣር ሲ’ [ERC] ጄን ዲያዝ ንማዕኸን ዜና ኤኤፍፒ ተዛሪባ።","category":"መሰላት ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60153485"} {"headline":"ዕርቃነን ከምዝወጻ ዝተገብራ ኣውስትራልያውያን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ልዕሊ ማዕርፎ ነፈርቲ ቐጠር ክሲ መስሪተን","content":"ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ርእሰከተማ ዶሃ፡ ዕርቃነን ወጺአን ክፍተሻን ክምርመራን ዝተገብራ ኣውስትራልያውያን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ልዕሊ ሰብመዚ ቐጠር ክሲ መስሪተን። እተን ደቂ-ኣንስትዩ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2020 ካብታ ዝተሰቐልኣ ነፋሪት ክወርዳ ድሕሪ ምግዳደን፡ ቆልዓ ዝወለዳ ምዃነንን ዘይምዃነንን ንምፍላጥ ክምርመራ ተገዲደን። ኣብቲ እዋን ሓደ ናጽላ ህጻን ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ሓማድ ኣብ ዝርከብ እንዳጎሓፍ ድሕሪ ምርካቡ፡ ነታ ኣደ ንምርካብ'ዮም ሰብመዚ ነቲ ኣካላዊ ዶብ ዝጠሓሰ መርመራ ኣካይዶም። እቲ ብመንግስቲ ዝተደገፈ መጥቃቲት'ዩ ክብላ ዝገለጽኦ ፍጻመ፡ ሰፊሕ ቁጠዐ ዝፈጠረ'ዩ ነይሩ። ድሕሪ'ዚ፡ ሃገረ ቐጠር ይቕሬታ ብምሕታት፡ ሓደ ብዓልስልጣን'ውን ምስቲ ጉዳይ ብዝተሓዝ ኣብ ዝባኑ ዝጸንሕ ማእሰርቲ ተበዪንሉ ነይሩ። እንተኾነ ግን፡ ጉዳየን ዕሽሽ ከምዝተባህለ'የን እተን ደቂ-ኣንስትዩ ዝገልጻ። ካብታ ተሰቒለንኣ ዝነበራ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ቐጠር ብዕጡቓት ኣባላት ጸጥታ ከምዝወርዳ ምስተገብራ፡ ናብተን ኣብቲ ማዕርፎ ዝነበራ ኣምቡላንሳት ተወሲደን፡ ብተሓጋገዝቲ ሓካይም (ነርሳት) ድማ ተመርሚረን። እቲ መርመራ ክግበረለን ፍቓደን ከምዘይሃባን፡ ብዛዕባ'ቲ ዝግበረለን መርመራ ዝተዋህበን መብርሂ ከምዘይነበረን ድማ ይዛረባ። ስማ ክጥቀስ ዘይደለየት ሓንቲ ካብአን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ \"እቲ ዝኸፍአ ክብሪ ዝግህስ ኣካላዊ መርመራ\" ከምዝተኻየደለን ጠቒሳ። \"ወይ ኣነ ወይ ድማ ብዓልቤተይ በቶም ብዙሓት ብረት ዝዓጠቑ ሰባት ክንቅተል ኢና ዝብል ግምት'ዩ ነይሩኒ\" ክትብል ብመንገዲ ጠበቓኣ ገሊጻ። ድሕሪ'ቲ ዝተገብረለን 5 ደቒቕ ዝወሰደ መርመራ ናብታ ክትበርር ትዳሎ ዝነበረት ነፋሪተን ተወሲደን። ሓያሎ ካብተን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኣውስትራልያ ምስኣተዋ ንፖሊስ ድሕሪ ምሕባረን፡ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ቁጠዐን ኩነኔን ኣስዒቡ ነይሩ። ኣብቲ እዋን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቐጠር ካሊድ ቢን ኻሊፋ ቢን ዓብዱልዓዚዝ ኣል-ታኒ \"በቲ ነዘን ተጓዓዝቲ ዘጋጠመን ዘይቅቡል ኣተሓሕዛ ንሓዝን…እቲ ዘጋጠመ ንሕግን ክብርን ቐጠርን ዝውክል ኣይኮነን\" ብምባል ኣብ ትዊተር ይቕሬታ ሓቲቱ ነይሩ። ድሕሪ ዝተገብረ ገበናዊ መርመራ ድማ ሓደ በቲ ጉዳይ ተሓታቲ ዝኾነ ብዓልመዚ ናይቲ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝባኑ ዝጸንሕ ማእሰርቲ ተቐቢሉ። ጠበቓ ናይ ሓያሎ ካብአን ዝኾነ ዳሚያን ስታርዛከር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ ምስ ሰብመዚ ክራኸባ ኣብ ዝፈተናሉ እዋናት \"ድምጺ ኣልቦ መንደቕ'ዩ ኣጋጢሙወን\" ኢሉ። እተን ደቂ-ኣንስትዮ ቐጠር ወግዓዊ ይቕሬታ ክትሓትትን፡ እቲ ማዕርፎ ነፈርቲ ድማ እቲ ጉዳይ ካልኣይ ግዜ ከየጋጥም ኣሰራርሓኡ ክቕይርን እየን ዝጠልባ ዘለዋ። ብዘይካ'ዚ፡ ነቲ ብመንግስቲ ቐጠር፡ ብዓልመዚ ሲቪል ኣቬሽን ቐጠርን መንገዲ ኣየር ቐጠርን ኣብ ልዕሊአን ዝተኻየደ ንክብረን ዝግህስ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ምዃኑ ዝገልጽኦ መርመራ ካሕሳ ክወሃበንን እየን ክሲ መስሪተን ዘለዋ። ክሳብ ሎሚ በቲ ፍጻመ ከምእትስንብድ ዝገለጸት ሓንቲ ካብኣተን ከምዝበለቶ፡ ሰብመዚ ቐጠር ንጠለባተን ዕሽሽ ስለዝበልዎ ነቲ ስጉምቲ ክወስዳ ተገዲደን። \"ከምቲ ንዓና ዘጋጠመና ዓይነት ሞራልካ ዝሰብር ዘስካሕክሕ ኣተሓሕዛ ንዝኾነት ጓል-ኣንስተይቲ ከየጋጥማ ንምርግጋጽ ኢና ዓው ኢልና ንዛረብ ዘለና\" ኢላ። እታ ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ዓለም 2022 ከተአንግድ ትሸባሸብ ዘላ ቐጠር፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ በጻሕቲ ክትቅበል ትጽቢት ይግበረላ። ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ኤምባሲ እታ ሃገር ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ርእይቶ ክህብ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበን።","category":"መሰላት ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59299231"} {"headline":"ድምጻዊ ኣር ኬሊ ንሕልፈት ዘእስሮ ገበናት ጾታዊ ዓመጽ ተረኺብዎ","content":"ውሩይ ኣመሪካዊ ድምጻዊ ኣር ኬሊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ዘለዎ ህቡብነት ተጠቂሙ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንሰትዮን ህጻናትን ጾታዊ ጻመጻት፣ መጭወይትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ኣንስትዮን ክፍጽም ምጽንሑ ብምግላጽ፡ ቤት ፍርዲ ገበነኛ ኢልዎ። እቶም ከሰስቲ ትሸዓተ ደቂ ኣንስትዮን ክልተ ደቂ ተባዕተዮን ኮይኖም፡ እቲ መስርሕ ቤት ፍርዲ ሽዱሽተ ሳምንታት እዩ ወሲዱ። ዳያኑ፡ ክልተ መዓልቲ ኣብ መጋባእያ ድሕሪ ምውዓል ኣር ኬሊ ብኹሉ እቲ ዝቐረበሉ ክስታት ገበነኛ ኮይኑ ከም ዝተረኸበ ገሊጾም። እቲ ቤት ፍርዲ ናይ መወዳእታ ብይን መቕጻዕቲ ኣር ኬሊ 4 ግንቦት ከምዝውሃብ ሓቢሩ ኣሎ። ኣር ኬሊ፡ ብኹሉ እዚ ቀሪብሉ ዘሎ ገበነኛ ኮይኑ ካብ ተረኸበ፡ ብመሰረት ሕጊ እታ ሃገር ንሕልፈት ክእሰር ከም ዝኽል ክኢላታት ሕጊ ይጠቅሱ። ምሉእ ስም ኣር ኬሊ፡ ሮበርት ሲልቨስትር ኬሊ ኮይኑ ዳያኑ፡ ኣር ኬሊ ናይቶም ብዝና ኣር ኬሊ እናተሃራረፉ ደቂ ኣንስትዮ ዘምጽእሉ ኣዝዮም ጨካናት ጉጅለ ላይለዋይ ሓላፊ ከም ዝኾነ'ውን ከረጋግጹ ክኢሎም ኣለዉ። እቲ 'I Believe I Can Fly' ብእትብል ደርፉ ዝያዳ ዝፍለጥ ኣር ኬሊ፡ ብዘይካ እዚ ልዒሉ ዝተጠቐሰ ገበናት፡ ካብን ናብን ክፍለ ግዝኣታት ኣመሪካ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምስግጋርን ትሕቲ ዕድመ ኣብ ግብረ ጽዩፍ ፊልምታት ከም ዝሰርሑ ኣብ ምግባር'ውን ክሰርሕ ምጽንሑ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ገሊጹ። ኣር ኬሊ ምስ ናይ ገበነኛታት ጉጅለ'ውን ርክብ ከም ዝነበሮ ተሓቢሩ ኣሎ። እቲ መጋባእያ፡ ናይ ኣር ኬሊ ኣካየድቲ ስራሕ፡ ሓለውኡን ካልኦትን'ውን ኣር ኬሊ ገበናት ኣብ ዝፍጽመሉ ይተሓባበርዎ ምንባሮም ሓቢሩ። ሓንቲ ቤት ፍረዲ ሶንጃ ኢሉ ዝሰመያ፡ ኣር ኣር ኬሊ ኣሲሩ መድሃኒት ሂቡ ከም ዝዓመጻ እትገልጽ ውልቀሰብ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃበቶ ናይ ጽሑፍ ምስክርነት፡ ንጉዳያ ዓው ኢላ ክትዛረቡ ስለዝጀመረት ካብ ኣር ኣር ኬሊ ብተደጋጋሚ ከበድቲ መጠንቀቕታታት ክበጽሓ ምስ ጀመረ 'ተሓቢኣ' ከም ዘላ ገሊጻ። ንሳ ብምስዓብ \"ካብ ሕጂ ጀሚረ እየ ካብ ፍርሒ ተናጊፈ ሓቀኛ ህይወት ክነብር ክጅምርን ስቓየይ ዝፍወስን\" ኢላ። እቲ ቤት ፍርዲ፡ እተን ግዳያት ናይ ኣር ኣር ኬሊ፡ ኣብ ቤቱ ኣብ ዝሕየራሉ፡ ብዘይፍቃድ ናይ ኣር ኪሊ ክበልዓ ኮነ ናብ ዓይኒ ምድሪ ክኸዳ ከም ዘይፍቀደንን፡ ንኣር ኣር ኬሊ 'ዳዲ' ኢለን ክጽውዐኦ ከምዝግደዳን ጠቒሱ። ንብዙሓት ግዳያት ብምውካል ንጉዳየን ሒዛ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበት ጠበቓ ግሎርያ ኣለርድ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ \"ምስ ጉዳያት ናይ ሕግን ገበናትን ኣብ ዝተሓሓዝ ን47 ዓመታት ሰሪሓ ኣለኹ፡ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ስራሕ ተሞክሮይ ኸኣ ብዙሕ ምስ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጻት ዝተሓሓዝ ጉዳያት ርእየ እየ፡ እዚ ናይ ኣር ኣር ኬሊ ግን እቲ ዝኸፈአ እዩ\" ኢላ። ድሕሪ እቲ መስርሕ ናይ ቤት ፍርዲ ኣኽባሪት ሕጊ ጃኳሊን ካሱሊስ እቲ ቤት ፍርዲ ነቶም ሓያላት ኢና ዝብሉን ከምድላዮም ዝመስሎምን መልእክቲ እዩ ኣሕሊፉ ኢላ። ንሳ ብምስዓብ \"ክንዲ ዝወሰደ ግዜ ይውሰድ፡ ዘንጊ ሕጊ ንገበነኛታት ምርካቡ ኣይተርፎን'ዩ\" ኢላ። ኣር ኣር ኬሊ ቅድሚ 13 ዓመታት እዩ ኣብ ግዝኣት ኢሊኖስ ብትሕቲ ዕድመ ቪድዮ ናይ ግብረ ጽዩፍ ኣስሪሑ ተባሂሉ ክሲ ቀሪብሉ ነይሩ። ኣብ 2019 እውን ንኣናባበርና ንኽስታትን ኣር ኪሊ ዘቃልዕ ሰነዳዊ ፊልም ተዳልዩ ነይሩ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ እተን ግዳያት፡ ካብተን ንናይ ኣር ኣር ኬሊ ሙዚቃዊ ምርኢት ንኽርእያ ኢለን ዝመጽኣ ተሓርየን ዝንባልኣን ተላልዩ በቶም ንሱ ዘዋፈሮም ሰባት ኣር ኣር ኬሊ ክሕግዘን ከም ዝደሊ ተገሊጽለን ናብ መርበቡ ይኣትዋ ምንባረን እቲ ቤት ፍርዲ ንመሰኻኽር ብምጥቃስ ገሊጹ። እቲ ቤት ፍርዲ፡ ኣር ኣር ኬሊ ነታ ኣብ ነሓሰ 2001 ብሓደጋ ነፋሪት ዝሞተት ብስኑዕ ሰነዳት ዝተመርዓዋ ድምጻዊት ኣልያህ ዝምልከት'ውን ዘትዩ ነይሩ። ኣር ኬሊ፡ ንኣልያህ ጓል 15 እንከላ ልዕሊ ዕድመ ከም ዝኾነት ዝሕብር ስኑዕ ሰነዳት ብምድላው ከም ዝተመርዓዋ ብምግላጽ፡ ብመርዓ ትሕቲ ዕድመ'ውን ክሲ ቀሪብሉ ገበነኛ ምዃኑ ክረጋገጽ ክኢሉ ኣሎ። ጠበቃ ኣር ኣር ኬሊ፡ ዶቭሬክስ ካኒክ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣር ኣር ኬሊ ገበነኛ ክብሃል ትጽቡት ከም ዘይነበሮ ገሊጹ። ኣር ኬሊ ብዘይካ እዚ ተራእዩ ዘሎ ክስታቱ ኣብ ቺካጎ፣ ኢሊኖስን ኣብ ሚኒሶታን'ውን ምስ ግብረ ጽዩፍ ትሕቲ ዕድመን ምስ ጭውያን ዝተሓሓዝ ካልእ ክሲ ቀሪብዎ ኣሎ። ክልተ መሻርኽቲ ኣር ኣር ኬሊ ኸኣ፡ ንከሰስቲ ኣር ኣር ኬሊ ኣብ ምፍርራሕን ስቕ ክብላ ኣብ ምግባርን ተዋፊሮም ጸኒሖም ብምባል ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኢሉዎም ኣሎ።","category":"መሰላት ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58716124"} {"headline":"ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፡ ኣባላት ቦኮሓራም ሓዊሱ ልዕሊ 400 እሱራት ኣምሊጦም","content":"ኣብ ርእሰ ከተማ ናይጄርያ ኣቡጃ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ፡ ሰሉስ ምሸት ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፡ ኣባላት ቦኮ ሃራም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ዝርከቡዎም 436 እሱራት ከምዘምለጡ ሰብ መዚ ገሊጾም። በቲ መጥቃዕቲ ኣስታት 879 እሱራት ሃዲሞም ዝነበሩ ኮይኖም፡ ካብዚኦም እቶም 443 ከምዝተትሓዙ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ኣፍሊጡ። ኣብ ሚኒስተሪ ውሽጢ ዓዲ ናይጄርያ ላዕለዋይ ሓላፊ ዝኮነ ሹያቡ ቤልጎረ ብወገኑ፡ እቶም ዕጡቓት ኣባላት ጉጅለ ቦኮሓራም ከምዝኾኑን ንተሓባበርቶም ንምፍታሕ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙን ገሊጹ። ካብቶም ዝሃደሙ ገሊኦም ብፖሊስ ተታሒዞም ገሊኦም ከኣ ብፍቓዶም ከምዝተመለሱ እውን ገሊጹ። ብሰሉስ ምሸት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኩጄ፡ ከቢድ ነትጒን ድምጺ ጠያይትን ከምዝተሰምዐ መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም። እቲ ቤት ማእሰርቲ ጥርጡራት ኣባላት ጉጅለ ቦኮሓራምን ፖለቲከኛታትን ዝርከቡዎም ብዙሓት  ፍሉጣት ሰባት ዝተኣሰሩሉ እዩ። ኣብ ናይጄርያ እሱራት ንምምላጥ ዝፍጸሙ መጥቃዕቲታት ዝተለመዱ ኮይኖም፡ ካብ 2020 ጀሚሩ ልዕሊ 5 ሽሕ እሱራት ኣምሊጦም እዮም። እስላማዊ ጉጅለ ቦኮሓራም ኣብ ቤት ማእሰርቲታት ብዙሓት መጥቃዕቲታት ፈጺሙ እዩ ፤ ካልኦት ዝተወደቡ ገበነኛታት እውን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ የካይዱ እዮም። ሰዓታት ቅድሚ እቲ ሰሉስ ምሸት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ መካይን ፕረዚደንት እታ ሃገር ተኹሲ ከፊቶም ነይሮም። ፕረዚደንት ሙሃመዱ ቡሃሪ ግን ኣብተን መካይን ኣይነበረን።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cxwn1lw7wppo"} {"headline":"ኣፃብዕቲ እግሪ ይሽየጥ ኣሎ' ዝብል ሓበሬታን ሓቅነቱን?","content":"ኣብዚ ቕነ ብማሕበራዊ መራኸብታት ዝተዘርግሐ ሓደ ሓበሬታ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣዘራራቢ ዝኾነን ቀልቢ ዝሰሓበን ኮይኑ ይርከብ። እቲ ሓበሬታ ካብ ዚምባብወ ዝመንጨወ ኮይኑ፡ ሰባት ኣፃብዕቲ ኣእጋሮም ብኣዝዩ ዝለዓለ ዋጋ ይሸጡ ከምዘለዉ ይሕብር። እዚ ካብ ዚምባብወ ዝተበገሰ ሓበሬታ ኣብዚ እዋን ብፍላይ ኣብ ናይጀርያ ንቐልቢ ብዙሓት ዝሰሓበ ኮይኑ'ሎ። ዜጋታት ዚምባብወ ንኣፃብዕቲ እግሮም ብምሻጥ ካብ ድኽነት ይወጽኡ ምህላዎም ዝገልፅ ሓበሬታ ብሓደ ኣብታ ሃገር ዝርከብ 'ብሎግ' ነይሩ ፈለማ ዝተዘርግሐ። ብዙሓት ሰባት ነቲ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ንምርግጋጽ ናብቲ ዝተብሃለ ማእኸል ንግዲ ከምዝወሓዙ ድማ ይግለፅ። ብ28 ግንቦት ዝዘርግሖ ሓበሬታ \"ምትዕድዳግ ኣፃብዕቲ\" ኣብ ከተማ ሃራሬ ማእኸል ንግዲ 'ዢሜክስ' [Ximex Mall] ይካየድ ከምዘሎ ይገልፅ። ሰባት ዓባይ ኣፃብዕ እግሮም ንሓደ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ባህላዊ ሓኪም ብምሻጥ ክሳብ 40 ሽሕ ዶላር ይኽፈሎም ከምዘሎ ዝገልጽ ሓበሬታ ናብ ብዙሓት ንኽላባዕ ግዜ ኣይወሰደሉን። ብርግጽ ክፍሊ ኣካላት ሰብነት ንባህላዊ ፍወሳ ከምዝውዕሉ ክግለፅ ከሎ ንፈለማ እዋን ኣይኮነን። እቲ ንዓባይ ኣፃብዕ 40,000፤ ንማእኸላይ 25,000 ንንኢሸተይ 10,000 ዶላር ከምዝኽፈል ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ግን ዘስሕቕን ብዙሓት ከም ሓቂ ዝወሰድዎን ኮይኑ'ሎ። ኣብ ዚምባብወ ምስዚ ሓበሬታ ዝተሓሓዙ ብስእልን ፅሑፍን ዝፍነዉ ቀልድታት ብስፍሓት ይረኣዩ ኣለዉ። ወፍሪ ሃሽታግ እውን ቺጉንዌ (ኣፃብዕ) ብዝብል ብብዝሒ ይረኣይ ብምህላዉ ነቲ ከቢድ ቁጠባዊ ምድኻብ ቁሩብ ዘረሳስዕ ዛዕባ ኮይኑ ይርከብ። እዚ ዛዕባ ግን ካብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዝሰገረ ኣብ ስሩዓት ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ሽፋን ኣይረኸበን። ኣብ ናይጀርያን ዩጋንዳን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ትዊተር፡ ዜጋታት ዚምባበወ ኣፃብእቲ እግሮም ብኣሽሓት ዶላር ይሸጡ ምህላዎም ዝገልፅ ሓበሬታ ክጥቅዑ ተራእዮም'ዮም። ኣብ ኬንያ ዝርከብ ሓደ ጣብያ ሬድዮ ከኣ ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ንተኸታተልቶም ግን \"ኣየነይቲ ኣፃብዕኹም ምሸጥኩም?\" ዝብል ሕቶ ከምዘቕረቡሎም ተሰሚዑ'ሎ። ንስኑዓት ሓበሬታታት ብምክትታል ዘቃልዕ ጉጅለ ቢቢሲ፡ ኣፃብዕቲ እግሮም ሸይጦም ወይ ንምሻጥ ኣብ መስርሕ ይርከቡ ናይ ዝተብሃሉ ሰባት ክልተ ቪድዮታት ዝገምገመ ኮይኑ መጥቀሚ ናይቲ ስኑዕ ሓበሬታ ከምዝኾኑ ይኣምን። እዚ ዜና ብፍላይ ኣብታ ክፍሊ ኣካላት ደቂሰብ ሃብቲ ወይ ገንዘብ ከምዘምፅእ ዝእመነላን ናይ ገንዘብ ጥንቆላታት ብስፍሓት ዝካየደላን ናይጀርያ ቀልቢ ብዙሓት ዝሰሓበ ኮይኑ ይርከብ። ኣብ ወርሒ ጥሪ [2022] ንመፈጸሚ ጥቆላ ብዝብል ንሓንቲ ቆልዓ ብምቕታል ዝተጠርጠሩ ሰለስተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ይዝከር።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c84vj89dexwo"} {"headline":"የማነይቲ ኢደይ ክቖርጽዋ ፈቲኖም ነይሮም' -ጋዜጠኛ","content":"ኡማሩ ፎፋና፡ ቅድሚ 25 ዓመታት ኣብ ሴራልዮን ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ምጽብጻቡ ብኸመይ ከምዝጸለዎ ሎሚ እውን ጋዜጠኛታት እንታይ ሓደጋታት ከምዘጋጥሞምን ንድሕሪት ተመሊሱ ይዝክር። መጠንቀቕታ፡ እዚ ዛንታ ገለ ዘሰክፍ ኣገላልጻታት ዝሓዘ እዩ። ኣብቲ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ሴራሊዮን ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት፡ ናይ ሓሶት ዜናን ወረን ብበዝሒ ነይሩ። ኣብቲ ኢንተርነት ይኹን ሞባይል ቴሌፎን ኣብ ዘይነበረሉን እዋን፡ ሪፖርተራት መብዛሕትኡ ግዜ ሓበሬታ ክረኽቡ ብኣካል ክኸዱ ነይርዎም። እቲ ግጭት ካብ ዝጅመር ሽዱሽተ ዓመት ገይሩ። ኣብ 9 ጥቅምቲ 1997፡ ዋና ቤት ጽሕፈት ሰራዊት ብወተሃደራዊት ጀት ናይጀርያ ብቦምባ ከምዝተሃርመ ዝገልጽ ጸብጻብ ከረጋግጽ ወጺአ። ብርኡይ ሕነ ምፍዳይ እቶም ወተሃደራት ናይቲ ኣብ ስደት ዝነበረ ፕረዚደንት ናይ ብሕቲ መንበሪ ገዛ ብሓዊ ከምዘቃጸልዎ ተገሊጹ። ኣብቲ ኲናት፡ እቶም ብሓሽሽ ብምስኻርን ኣካላት ሰባት ብምቑራጽን ዕሉላት ዝኾኑ ዕጡቓት ስሙር ግንባር (RUF)፡ ምስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ስልጣን ዝሓዘ ወተሃደራዊ ጉጅለ ዝተሓባበሩሉ እዋን'ዩ ነይሩ። ወተሃደራት ናይጀርያ ኣብ ወሰን ርእሰ ከተማ ሴራልዮን ዓስኪሮም ዝነበሩ ኮይኖም፡ ኣብቲ እዋን ጣልቃ ንምእታው ዝኾነ ስልጣን ኣይነበሮምን። ብወተሃደራትን ተቓወምቲ ዕጡቓትን መሓዙቶምን ዝመልአ ዕጽው መንገዲ እናሓለፍኩ ከለኹ ናብቲ ዝተቓጸለ መንበሪ ገዛ የምርሕ ከምዘለኹ ፈለጡ። ኣስታት ፍርቂ ደርዘን ዝኾኑ ካብኣቶም ከባርሩኒ ጀሚሮም። \"ጠጠው በል!\" ኢሎም ጠበንጃኦም እናቀባበሉ ጨደሩ። \"እንተሃዲመ ክቐትሉኒ እዮም\" በልኩ ብልበይ። ስለዚ ደው ኢለ። ምስ ቀረቡ ሓደ ካብኣቶም ተኲሱለይ። የማናይ ዓጽሚ በራቒቶይ ተሰባቢሩ። ናብ መፈተሺኦም ክወስዱኒ ከለዉ ብጸጋማይ እግረይ ዘሊለ። ክወድቕ ከለኹ ተንስእ ኢሎም እናጨደሩ ይሃርሙኒ ነይሮም። ኣብቲ ናቶም መፈተሺ ነቑጣ፡ ኣብ ደፍተርይ፡ ብዛዕባ ኣብ ጽርግያ ዝሞተ ሓደ ሓላፊኦም ዘቕረብክዎ ጽሑፍ ክርእዩ ከለዉ ሕጉሳት ኣይነበሩን። ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝነበሮም ጽልኢ ርኡይ እዩ ነይሩ። ሓደ ካብኣቶም ንዓይ ክቐትል ተኲሱ፡ ካልእ ግን ስለዝደፍኦ እታ ጥይት ኣብቲ ገረብ ዓሊባ። ብድሕሪኡ ናብቲ መሕብኢ ቦታ ክወስዱኒ ወሲኖም። ኣብኡ ፕላስቲክ ኣቃጺሎም ነቲ ሃልሃልታ ኣብ ሕቖይ ኣንጠብጢቦምለይ። የማነይቲ ኢደይ ክቖርጽዋ ፈቲኖም፡ ኣነ ግን ብተፈጥርኣዊ መንገዲ ተቓሊሰ። ሓደ ካብኣቶም ኣብ ኣፈይ ሽንቲ ሸይኑ ክውሕጦ ኣገደዱኒ። ኣብታ ለይቲ እቲኣ ንኽቐትሉኒ ድሉዋት ምዃኖም ብዘፍልጥ መገዲ ናብ ድሕሪት እቲ ህንጻ ወሲዶሙኒ። ገለ ውጉኣት ብጾቶም ንሕክምና ናብቲ መሕብኢ ዘምጽአ ሓደ ካብ ኣዘዝቶም ግን ኣቐዲሙ ኣብቲ መፈተሺ ነቑጣ ርእዩኒ ስለዝነበረ ኣበይ ከም ዘለኹ ሓተተ። ናብ ሆስፒታል ከም ዝወስዱኒ ክነግርዎ ምስ ሰማዕኹ፡ \"ሓሶት እዩ ኣብዚ ኣለኹ\" ኢለ ጨዲረ። ኣብ መወዳእታ ናብ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ተወሲደ፣ ኣብኡ ድማ ሓደ ሓኪም ራጂ ክገብር መኺሩኒ። ሓደ ወተሃደር ነቲ ብሽክለታ ጉዱኣት ኣካላት ኮነ ኢሉ ፈቲሑ ደፊእዎ። ኣነ ድማ ኣብቲ መንሸራተቲ ወዲቐ ዝያዳ መጉዳእቲ ኣጋጢሙኒ። ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ብሓደ ሸያጢ ፍረታት ኣቢለ፡ ናብ ቤት ጽሕፈትይ መልእኽቲ ልኢኸ። ንሶም ንለንደን ድሕሪ ምሕባሮም ናብ ሓደ ሲቪላዊ ሆስፒታል ተሰጋጊረ። ኣብቲ ን11 ዓመታት ዝቐጸለ ኣረሜናዊ ግጭት ብዙሓት ጋዜጠኛታት ተቐቲሎም እዮም። ብመሰረት እቲ ጉጅለ ተጣባቒ መሰላት መራኸቢ ብዙሃን፡ ኮሚቴ ሓለዋ ጋዜጠኛታት (CPJ)፡ ኣብ መንጎ 1996ን 2000ን ጥራይ 15 ናይ ወጻኢን ውሽጢ ዓድን ጋዜጠኛታት ተቐቲሎም እዮም። ስለዚ ብብዙሕ መዳይ ዘይሙማተይ ዕድለኛ እየ። እቲ ኲናት ምስተወድአ፡ ከምኡ’ውን ኣብ 2020 ድሕሪ ነዊሕ ጎስጓስ ዝወጸ ሕጊ ገበናዊ ጸለመ፡ ጋዜጠኛታት ዝእሰረሉ ኩነታት ነክዩ እዩ። ግን ኩሎም ወገናት ኣብ ሚድያ ጽልዋ ከሕድሩ ስለ ዝደልዩ፡ ኣብቲ ዝጥቀሙሉ ሜላታት ሕጂ’ውን ለውጢ የለን። ገለ ጋዜጠኛታት ክሳብ ሕጂ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ይበጽሖም እዩ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ግን ምግፋዕ ጋዜጠኛታት ዝያዳ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይበዝሕ። ንስድራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ንኣሽቱ ደቀይ ናይ ሞት ምፍርራሕ ክበጽሓኒ ከሎ ይጉዳእ እየ። እዚ ሓደጋታት ግን ከምቲ ቅድሚ 25 ዓመት ዘጋጠመኒ ኣይኮነን።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cn01vndjnd1o"} {"headline":"ምጽኣተ ክርስቶስ' ክጽበዩ ተነጊሩዎም ኣብ ቤተክርስቲያን ተዳጒኖም ዝነበሩ ሰባት ናጻ ወጺኦም","content":"ፖሊስ ናይጄሪያ፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ግዝኣት ኦንዶ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ተኣሲሮም ዝነበሩ ህጻናት ዝርከቡዎም 77 ሰባት ናጻ ኣውጺኡ። ገለ ካብቶም እሱራት ንኣዋርሕ ኣብኡ ከም ዝጸንሑ ይእመን። ኣፈኛ ፖሊስ፡ መብዛሕትኦም ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ 'ምጽኣተ ክርስቶስ' ንኽጽበዩ ተነጊርዎም ከም ዝነበረን ነቲ ኣጋጣሚ ንምርኣይ ትምህርቶም ኣቋሪጾም ናብቲ ቤተክርስቲያን ከም ዝተኣከቡን ሓቢሩ። ሓንቲ ኣደ፡ ደቃ ከም ዝጠፍኡ ጥርዓን ምስ ኣቕረበትን ኣብ ቤተ-ክርስትያን ከም ዘለዉን ምስ ገለጸትን እዩ ፖሊስ ናብቲ ቤተክርስቲያን ኣትዩ። ፖሊስ፡ ኣብ ከባቢ ኦንዶ-ታውን ኣብ ዝርከብ ቤተክርስቲያን፡ ኣመንቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰባት ብጃምላ ዝተጨወይሉ ምኽንያት ንምፍላጥ መርመራ ጀሚሮም ኣለው። ፓስተር እዛ ቤተ-ክርስትያን ጴንጠቈስጠ ዴቪድ ኣኒፎዎሺን ምኽትሉን ክእሰሩ እንከለው፡ እቶም ግዳያት ድማ ኣብ ትሕቲ ምክትታል ሰበ-ስልጣን ይርከቡ። \"ኣፈናዊ መርመራ፡ ፓስተር ጆስያ ፒተር ኣሱሞሳ ዝተባህለ ሓጋዚ ፓስተር  እታ ቤተክርስቲያን፡ ሓደ ካብቶም ነቶም ኣመንቲ 'ምጽኣተ ክርስቶስ' ኣብ ሚያዝያ ከም ዝፍጸም ዝነገሩዎም'ዩ። ጸኒሑ ግን ናብ መስከረም 2022 ከም ዝተቐየረን እቶም መናእሰይ ኣባላት፡ ንወለዶም ጥራይ ብጐይታ ክእዘዙ ነጊርዎም\" ይብል ኣፈኛ ፖሊስ ፋንሚላዮ ኦዱንላሚ። ፖሊስ፡ በቲ ኣብታ ቤተክርስቲያን ዝወሰድዎ ስጉምቲ፡ 26 ቈልዑ፡ ሸሞንተ ኰተቴን 43 ዓበይቲ ሰባትን ከም ዘድሓኑ ወሲኹ ሓቢሩ። 'ምጽኣት ክርስቶስ፡' እየሱስ ክርስቶስ ናብ ሰማይ ምስ ዓረገ ዳግም ክምለስ'ዩ ዝብል ክርስትያናዊ እምነት'ዩ። እዚ፡ ኣመንቲ ክርስትና ኣብ ዳግመ ምጽኣት ክርስቶስ ናብ ገነት ክኸዱ'ዮም ዝብል ትምህርቲ'ዩ። ኣብ ቀረባ ግዜያት፡ ኣብ ናይጄርያ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ክርስቲያን ብዝፍጸሙ ዝነበሩ መጥቃዕታት ከቢድ ወጥሪ ዓሲሉ ጸኒሑ እዩ። ብ6 ሰነ 2022፡ ኣብ ከተማ ኦዎ ኣብ ትርከብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ፍራንሲስ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባን ተዅስን፡ ብውሑድ 50 ሰባት ከም ዝሞቱ ይዝከር። ሰብ መዚ እታ ሃገር፡ እዞም መጥቃዕታት በቲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝንቀሳቐስ እስላማዊ ጕጅለ ተፈጺሞም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይግምቱ። ካብ 2019 ጀሚሩ፡ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ዝወርድ መጥቃዕትታት ይውስኽ ከም ዘሎ ይግለጽ። ኣብ 2021 ጥራይ 31፡ ኣብ 2020 ድማ 18 መጥቃዕቲታት ተፈጺሞም ነይሮም። ኣብዛ ዓመት ክኣ፥","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c6pwdg3w473o"} {"headline":"ኣብ እትመሃረሉ ኮሌጅ ብዕስለ ዝተቐትለት ዲቦራ","content":"ኣብ ናይጀርያ ‘ብዋትስ-ኣፕ ንሃይማኖት እስልምና ኣቆናጺባ’ ዝተብሃለት ዲቦራ ብናይ ዕስለ ፍርዲ ብሞት ተቐጺዓ። ኣዲኣ ብሞት ጓላ መዓልታዊ ኣብ ሓዘን ተዋሒጣ ከምእትነብር ንቢቢሲ ገሊጻ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cjr88d25zneo"} {"headline":"ብቦኮ ሓራም ካብ ዝተጨወያ ተመሃሮ፡ ድሕሪ 8 ዓመት ክልተ መምስ ቈልዑተን ተረኺበን","content":"ሰራዊት ናይጄርያ፡ ካብተን ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ብዕጡቓት ቦኮ ሓራም ካብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዝተጨወያ ተመሃሮ፡ ተወሰኽቲ ክልተ ከም ዝረኸበ ኣፍሊጡ። ቦኮ ሓራም ኣብ 2014 ኣብ ሰሜን ምብራቓዊ ናይጄርያ ካብ እትርከብ ከተማ ቺቦክ ኣስታት 300 ተመሃሮ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ጨወየ፡ ኣዘራራቢ ኰይኑ ነይሩ። መብዛሕትአን ካብተን ግዳያት ሃዲመን ወይ ተፈቲሐን ዝተመለሳ ኰይነን፡ ብዓሰርተታት ዝቝጸራ ግን ኣብ ዝኣተዋኦ ኣይተፈለጠን። እተን ዝተረኽባ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝወለዳ ሰራዊት ናይጄርያ ገሊጹ። ካብተን ብጕጅለ ዝተጨወያ ደቂ ኣንስትዮ ገሊአን ሃይማኖተን ናብ እስልምና ክቕይራን ካብቶም ዕጡቓት ክምርዐዋን ከም ዝተገደዳ ይገልጻ። እተን ኣብዚ እዋን ምስ ሰለስተ ቈልዑተን ዝተረኸባ ደቂ ኣንስትዮ፡ ምስ ደቀን ናብ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ከም ዝተወሰዳ ተሓቢሩ። ቅድም ኢለን ካብ ቦኮ ሓራም ነጻ ዝወጽኣ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብመንግስቲ ናይጄርያ መንበሪ ተዋሂቡወን ከምኡ እውን ናብ መሐብሐቢ ማእከላት ከም ዝኣትዋ ተገይሩ እዩ። ድሕሪ እቲ መጭወይቲ ሓንቲ ተመሃሪት ንፈለማ እዋን ኣብ ግንቦት 2016 ኣምሊጣ፤ ካልኦት ውሑዳት እውን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ክሃድማ ክኢለን'የን። ካብ 2016 ክሳብ 2018 ግን ኣብ መንጐ መንግስቲ ናይጄርያን ዕጡቓት ቦካ ሓራምን ብዝተኻየደ ዘተ፡ 103 ግዳያት ተፈቲሐን። እተን ደቂ ኣንስትዮ ክፍታሓ ዝጕስጕስ ‘ብሪንግ ባክ ኣወር ገርልስ’ ዝተባህለ ምንቅስቓስ ካብተን ግዳያት ኣስታት 100 ክሳብ ሕጂ ከም ዘይተረኸባ ይገልጽ። ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጄርያ ዕጡቓት ንነዊሕ እዋን ብዝፈጸምዎም መጥቃዕቲታት፡ 40 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱን 2.2 ሚልዮን ከም ዝተመዛበሉን ጸብጻብ ኤኤፍፒ ይሕብር። ዝተጨወያ ደቂ ኣንስትዮ ቺቦክ ንምፍታሕ መንግስቲ ናይጄርያ ንዕጡቓት ቦኮ ሓራም ልዕሊ 3 ሚልዮን ዶላር ከም ዝኸፈለ እዩ ዝግለጽ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c51d05qny9xo"} {"headline":"ዕሉል ኣሰጋጋሪ ዘይሕጋዊ ገንዘብ፡ 11 ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ","content":"እቲ ኣብ ኢንስታግራም ብ 'ሁሽፑፒ' ዝፍለጥ፡ ሓቀኛ ስሙ ራሞን ዓባስ ዝዀነ ወዲ 38 ዓመት ዕሉል ናይጀርያዊ ኣሰጋጋሪ ዘይሕጋዊ ገንዘብ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ጕጅለ ጉሒላታት ብዝተጻወቶ ተራ ኣብ ኣሜሪካ ንልዕሊ 11 ዓመታት ክእሰር፡ ትማሊ ሰኑይ ተፈሪዱ። ንሱ ኣብቲ ክሳዕ ዝዕጾ 2.8 ሚልዮን ተኸታተልቲ ዝነበሮ ናይ ኢንስታግራም ሕሳቡ፡ ነቲ ምቾት ዝመልኦ ኣነባብራኡ ብምርኣይ፡ ሓያለ ሰዓብቲ ክረክብ ክኢሉ እዩ። ላዕለዋይ ዳኛ ሎስ ኣንጀለስ፡ ሁሽፑፒ፡ ንኽልተ ግዳያት ምትላል 1,732,841 ዶላር ንኽመልስ እውን ኣዚዙ። ዓባስ - ሁሽፑፒ ን135 ኣዋርሕ ፍረዱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ፌደራል ክፍጽም እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ [ሕጽቦ ገንዘብ] ገበኑ ተኣሚኑ ነይሩ። ዓባስ፡ ካብ ሓደ ኣብ ቐጠር ሓድሽ ቤት ትምህርቲ ህጻናት ንምስራሕ ክምውል ዝደለየ ሰብ፡ ልዕሊ 1.1 ሚልዮን ዶላር ክሰርቕ ምፍታኑ ከምዝተኣመነ ሰነዳት ቤት ፍርዲ ካሊፎርንያ ይሕብሩ። እቲ መታለሊ፡ ነዚ ገንዘብ ከደናግረሉ ዝገበሮ ሜላ፡ ነቲ ግዳይ፡ \"ሓላፊ ባንክ ኰይኑ ብምቕራብ፡ ናይ ሓሶት መርበብ ሓበሬታ ብምፍጣርን\" ንቤት ትምህርቲ ዝኸውን ገንዘብ ክኸፍል ከም ዝገበረን፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ዝወጸ መግለጺ ይሕብር። ካልኦት ኣብዚ ስራሕ ምትላል ዓባስ ተራ ዝነበሮም ዝተባህሉ ጥርጡራት’ውን ኣብዚ ጉዳይ ከምዝተሳተፉን ክሲ ከም ዝቐረበሎምን ተፈሊጡ። ዓባስ ብተወሳኺ፡ \"ካልኦት ሓያሎ ናይ ሳይበር ስርቅን ብሓሶት ቢዝነስ ኢመይላት ምትላል ተዋፊሩ፡ ብድምር ልዕሊ 24 ሚልዮን ዶላር ክሳራ ከምዘስዓበ\" ከምዝተኣመነ ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ገሊጹ። \"ራሞን ዓባስ፡ ንኣሜሪካውያንን ዓለምለኻውያንን ግዳያት ዒላማ ብምግባር፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ኣዝዮም ኣድማዕቲ ዝዀኑ ሓጸብቲ ዘይሕጋዊ ገንዘብ እዩ፡\" ክብል ተሓጋጋዚ ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ኤፍ.ቢ.ኣይ ሎስ ኣንጀለስ ዶን ኦልዌይ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘቕረቦ ሰነድ ቤት ፍርዲ ገሊጹ። \"ንሱ፡ ብናይ ሓሶት ኢመይላት፡ ሕሳባት ባንክ፡ ብኢንተርነት ዝግበር ቢዝነስን ምድንጋርን ተጠቒሙ ዝረኸቦ ዘይተኣደነ ገንዘብ፡ ኣብ መድረኽ ማሕበራዊ ሜድያ - ኢንስታግራም - ዓዶኽ ክብለሉ፡ ህቡብነት ከጥርየሉን፡ ንስርዓት ሰሜን ኮርያ ከይተረፈ ክሕግዘሉን ክኢሉ እዩ። \"እዚ ኣገዳሲ ፍርዲ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣብ መንጐ ኣኽበርቲ ሕጊ ንዓመታት ክግበር ዝጸንሐ ምትሕብባር ኰይኑ፡ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣብ ሕጽቦ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ዝተዋፈሩ መታለልቲ፡ ኣብ ውሽጢ ኣሜሪካ ይዅን ካብ ኣሜሪካ ወጻኢ ይንቀሳቐሱ ብዘየገድስ፡ ኤፍ.ቢ.ኣይ ንግዳያት ፍትሒ ከረጋግጽ ምዃኑ ንጹር መልእኽቲን መጠንቀቕታን እዩ፡\" ኢሉ። ዓባስ ብኢዱ ብዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ ንዳኛ ኦቲስ ዲ ራይት ብገበኑ ይቕሬታ ​​ሓቲቱ፤ ካብ ውልቃዊ ገንዘቡ ኸኣ ንግዳያቱ ክኸፍሎም ምዃኑ ገሊጹ። ብተወሳኺ ካብቲ ዝተፈርደሉ ገበን 300 ሽሕ ዶላር ጥራይ ከምዝረኸበ ገሊጹ። እቲ ኣመና ምዕሩግን ምቾት ዝበዝሖን ናብራ ዓባስ፡ ኣብ 2020 ኣብ ዱባይ እናተቐመጠ ክእሰር እንከሎ እዩ ኣኽቲሙ። እቲ ኣመና ክቡራት መካይንን ፍሉይ ክዳውንትን ዝረኣዮ ናይ ኢንስታግራም ሕሳቡ፡ ካብቲ ዝዓበየሉ ትሑት ዝመነባብሮኡ ዓለም ኣመና ዝረሓቐ እዩ ነይሩ። ሁሽፑፒ፡ ኣቦኡ ታክሲስታ፡ ኣደኡ ድማ ሸቃጢት ምንባራ፣ እናዓበየ ምስ ከደ ኸኣ ኣመል ምሕሻሽ ገንዘብ ከም ዘማዕበለ፡ ኣብ እዋን ቍልዕነቱ ዝፈልጥዎ ሰባት ንቢቢሲ ሓቢሮም። \"ለጋስ እዩ ነይሩ፤ ንዅሉ ኣብ ከባቢኡ ዝረኸቦ ሰብ ‘ስተ’ እናበለ ዝጋብዝ\" ይብል ሰየ ዝተባህለ ብንእስነቱ፡ ምስ ኣደኡ እናሸቀጠ እንከሎ ዝፈልጦ መራሕ መኪና። ሰየ ከም ዝብሎ፡ ስራሕ ምትላል ከም ሓደ ‘ያሁ ቦይ’ ኰይኑ እዩ ጀሚርዎ። ‘ያሁ ቦይ' ኣብ ናይጀርያ፡ መንነት ሰባት ብኢንተርነት ብምስራቕን፣ ወይ ናይ ሓሶት መንነት ብምጥቃም ፍቕራዊ ምትላል ብምፍጻምን፡ ካብ ኣፍቀርቶም ደቀንስትዮ ገንዘብ ንዝረኽቡ ደቂ ተባዕትዮ ዘመልክት እዩ። ሓደ ካብቲ ፍሉጥ ናይ ምትላል ውጥን ዓባስ፡ ኣብ 2019 ኣብ ማልታ ዝተፈጸመ ኣብ እዋኑ ዓለማዊ ጉዳይ ዝነበረ፡ ነቲ ብጕጅለ ሰረቕቲ [ሃከራት] ሰሜን ኮርያ ካብ ባንክ ማልታ ቫሌታ ዝተሰርቀ 13 ሚልዮን ዶላር ክሓጽብ ዝፈተነሉ ፍጻመ እዩ። ሽዑ ስርዓታት ክፍሊት እታ ኣውሮጳዊት ሃገር ማልታ ምሉእ ብምሉእ ተዓጽዩ፡ ኣብ ዕግርግር ኣትያ ነይራ እያ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1l44g0ep4o"} {"headline":"ነብሱ መኒኑ ህይወት ብዙሓት ዘትረፈ \"ጅግና\"","content":"እታ ዝዝውራ ዝነበረ መኪና ቦጥ ነዳዲ፡ ብሓዊ ትነድድ ምንባራ ዝፈለጠ፡ ምስኡ ዝነበረ ተሓጋጋዚኡ ሓበሬታ ምስሃቦ እዩ ነይሩ። ናይጀርያዊ ኤጂሮ ኦታሪጎ በቲ ንነብሱ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ ንህይወት ብዙሓት ከትርፍ ዝኸኣለሉ ተግባር፡ \"ጅግና\" ክብሃል በቒዑ'ሎ። ንሱ ነታ ክትነድድ ዝጀመረት ቦጥ ነዳዲ፡ ካብቲ ብብዝሒ ህዝቢ ዝነብረሉ ከባቢ ከርሕቓ ብምውሳን'ዩ እናዘወረ ሰብ ናብ ዘይነበሮ ቦታ ዝወሰዳ። \"ኣብ ውሽጠይ ዝነበረ ሓደ ሓሳብ፡ ነታ ትነድድ ዝነበረት ቦጥ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ ሩባ ከእትዋ ጥራይ እዩ፡\" ይብል ኤጂሮ። \"ኣዝዩ ዘፍርሕ ሃልሃልታ'ዩ ነይሩ\" ክብል ዝዛረብ ኣውቲስታ 'ታ ነዳዲ ጽዒና ዝነበረት ቦጥ፡ ክትነድድ ክትጅምር እንከላ ዝሓበሮ ተሓጋጋዚኡ ምንባሩ ይሕብር። ንገለ ካብ ትሕዝቶ እታ ቦጥ ኣብ መገዲ እናነከየ፡ ክሳብ ዝኸኣሎ ኣብ ዝቕጽለሉ ዝነበረ እዋን፡ ንተሓጋጋዚኡ \"ውረድ\" ብምባል ብኽቱር ናህሪ ክሕንብባ ጀመረ። ብሃልሃልታ ሓዊ እናተሸፈነት ትኸይድ ዝነበረት ቦጥ ዝርእዩ ዝነበሩ ሰባት ከኣ ኣብ ከቢድ ፍርሒን ሻቕሎትን ተሸሚሞም ነይሮም። ኣብቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ህሞት፡ ብኤጂሮ ክፍጠር ዝኽእል ንእሽተይ ጌጋ ወይ ነትጒ ኣዝዩ ኣዕናዊ ውጽኢት'ዩ ከስዕብ። \"ሓሳበይ፡ እናዘወርኩ ናብ ሩባ ከእትዋ እዩ ነይሩ። ኣብ ጥቓኡ ምስ በጻሕኩ ግን መዘወሪኣ ምስራሕ ኣብዩኒ። ካብኡ ንላዕሊ ከንቀሳቕሳ ኣይከኣልኩን፡\" ክብል ነቲ ኵነታት ይዝክሮ። \"ትኽ ኣቢለ ክዝውራ እንተፈቲነ እታ ቦጥ ክትወድቕን ካልእ ጸገም ክፍጠርን ይኽእል እዩ። ስለዚ ኣብ ሰጣሕ ሜዳ ደው ከብላ ወሲነ\" ይብል። ንሱ ነዚ ምስ ገበረ ካብታ ትነድድ ዝነበረት ቦጥ ወሪዱ፣ ብዘይካ'ቲ ናብ ውሽጡ ዝሰሓቦ ትክን ቀሊል ማህሰይትን ኣብ ንቡር ኵነታት ጥዕና ይርከብ። ኣብ ናይጀርያ ሓደጋታት ነትጒ ነዳዲ ዝጸዓና መኻይን ብተደጋጋሚ ዝኽሰት ኰይኑ፡ ጥንቂ ምጥፋእ ህይወት ብዙሓትን ዕንወት ንብረትን ከምዝኸውን ከኣ ይፍለጥ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cjk0m3y8r25o"} {"headline":"‘ድቃስ ከሊኣትኒ’ ብዝብል ኢድ ጓል ክልተ ወርሒ ውላዱ ብምስባር ዝተጠርጠረ ሰብ ብፖሊስ ይድለ'ሎ","content":"ሰብ መዚ ናይጄርያ፡ ሓደ ኣብ ልዕሊ ጓል ክልተ ወርሒ ህጻን ውላዱ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻም ኢዳ ብምስባር ዝተጠርጠረ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ከእትው ተሓቲቶም። እታ ህጻን ኣብ እዋን ድቃሱ 'ዝረበሸቶ' እቲ ወዲ 31 ዓመት ኣቦ፡ ነታ ቆልዓ ብመስቀሊ ናይ ክዳውንቲ ጌሩ ከምዝሃረማ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ። በዓልቲ ቤቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መልሲ፡ እቲ ሰብኣይ፡ ቴሌፎና መንጢሉ ንኣኣን ንጓላን ኣብ ሓደ ክፍሊ ረጊጡ፡ ንጎረባብቲ ከይትነግር ከምዘፈራርሓ ገሊጻ። ድሕሪ ክልተ መዓልታት ካብቲ ገዛ ምስ ሃደመት ነታ ህጻን ናብ ሆስፒታል ክትወስዳ እንከላ፡ ሓካይም ኢድ እታ ህጻን ክቖርጽዎ ከምዝተገደዱ ተፈሊጡ። ነታ ህጻን ዝሓከመ ዶክተር ቺዶዚ ምባሌወ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ህይወት እታ ህጻን ንምድሓን እንትርፎ ኢዳ ምቑራጽ ካልእ ኣማራጺ ከምዘይነበሮም ሓቢሩ። እታ ኣደ ነቲ ጉዳይ ናብ ፖሊስ ሓቢራ እኳ እንተላ፡ እቲ ጥርጡር ዛጊት ኣይተታሕዘን። ሓደ ጉጅለ ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታትን ሃገራዊ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላትን ንፍትሒ ድምጾም ኣስሚዖም ኣለው። ካብ 2016 ክሳዕ 2021 ኣብ ዘሎ ዓመታት፡ ኣብ ናይጄርያ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ብ5 ሚእታዊ ከምዝወሰኸ ጸብጻባት ዩኒሴፍ የረድእ። ብመሰረት ሕጊ እታ ሃገር፡ ኣብ ልዕሊ ቈልዑ፡ ኣካላዊ፡ ኣእምሮኣዊ ወይ ስምዒታዊ መጉዳእትን ኩሉ ዓይነት ዓመጽን ምፍጻም ዘቕጽዕ እኳ እንተኾነ ብዙሕ ግና ከምዘይትግበር ይግለጽ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72dv30grdno"} {"headline":"ገዛእ ፍቕራዊ ተመኵሮይ ንመላእ ዓለም ወሲዱኒ' ኰኾብ ኣፍሮቢትስ - ሲከይ","content":"እቲ ዝያዳ ‘ሲከይ’ ብዝብል ናይ መድረኽ መጸውዒኡ ዝፍለጥ፡ ከም ዝደምቕ ዘሎ ኰኾብ ዝግለጽ ናይጀርያዊ ደራፋይ፡ ኣቕሪብዋ ዘሎ ‘Love Nwantiti’ እትብል ደርፉ፡ እታ ዝበለጸት ዕዉትቲ ደርፊ ኣፍሮቢትስ ክትከውን ከም እትክእል ይግመት ኣሎ። እዛ ደርፊ፡ ኣብ ዲጂታዊ ደርፍታትን ቪድዮታትን ዘአንግድ መድረኽ ‘ስፖቲፋይ’ [Spotify] ጥራይ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ርኣይቲ ብምርካብ ዓለማዊ ስሚዒት ቀስቂሳ’ላ። ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ናይ መጀመርታ ሳድ ሮማንስ እትብል ኣልበሙ፡ ንዅሉ ፍቕራዊ ተመኵሮኡን ህይወቱን እተንጸባርቕ ምዃና እዩ ዝገልጽ።  ንሱ፡ \"ቃል ብቓሉ፡ ኣነ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሰይ ፍቕራዊ ህይወት ምድራፈይ፡ ናብ መላእ ዓለም ከጓዕዘኒ ክእሊሉ፣ እዚ ድማ ሓቀኛ ተመኵሮ ማዕረ ክንደይ፡ [ንሓቀኛ ስነጥበብ] ጽልዋ ክህልዎ ከም ዝኽእል ምስክር'ዩ - ሓቀኛ ስምዒታት፡ ሓቀኛ ስነጥበብ፡ ሓቀኛ ሙዚቃ፡” ድሕሪ ምባል፡ ”ስለዚ ብመሰረቱ ኵሉ ግዜ ንዕኡ ግምት ክህብ እመርጽ፡” ኢሉ። \"ፍቕሪ፡ ኣብ ሓቀኛ ህይወት ኵሉ ግዜ ፍጹም ኣይኰነን፤ ኵሉ ግዜ ንጹህ ኣይኰነን፣ ኣመና ዘይፍጹም ክኸውን ይኽእል’ዩ፣ ኣመና መርዛም፡ ኣመና’ውን ዘይጽቡቕ. . .፡ ስለዚ፡ በቃ ነቲ ዛንታ፡ መዓር ለኺኻ ገለ ዘይኰነስ ከም ዝነበሮ ክነግሮ ደልየ፡\" ብምባል ይቕጽል። ሓቀኛ ስሙ፡ ቹኩካ ኤክዌኒ ዝዀነ ሲከይ፡ ንሓደ ዓመት ኣብ ኣዝዩ ኣድካሚ ዑደት ምርኢታት እዩ ኣሕሊፍዎ። ኣብቲ ኣብ ናይጀርያ ዝርከብ ገዛኡ ሓሙሽተ መዓልታት ጥራይ ስለዘሕለፈ መግቢ ናይጀርያ ከም ዝናፈቐ ይዛረብ። ብገለ መንገዲ ድማ ናይ መጀመርታ ስቱድዮ ኣልበሙ ንምትእኽኻብ ግዜ ረኺቡ። እቲ ኣልበም፡ ብገዛእ  ፍቕራዊ ዛንታታት ሲከይ ዝተደረኹ ደርፍታት፡ መለሳታት ዘለዎም ኣሳእል ክፈጥሩ ዝፍትኑን፡ ውረድ ደይብ ዘንጸባርቝን ጥዑማት ፍቕራዊ ደርፍታት ምዃኖም ከኣ ዘገርም ኣይኰነን። ሲከይ፡ ብዛዕባ እተን ንደርፍታቱ ዝደረኻ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ተሓተተ፡ ካብአን ዝዀነ ከም ዘይሰምዐን ብምግላጽ፡ እተን ደርፍታት ግን ብዛዕባ ዝፈልጥኦ እየን ዝዛረባ፡ ይብል።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw8746247zqo"} {"headline":"ኣቦ ሓሙሽተ ማናቱ ብምዃን ተፈላጥነት ዝረኸበ ሰብኣይ","content":"ኣከታቲሉ ሓሙሽተ ግዜ ማንታ ቆልዑ ዝወለደ ኣዮፖ ኦጉንሌየ፡ ኣብ ምዕራብ ናይጀርያ ስሙ ገኒኑ ኣሎ። ንሱ፡ ንቢቢሲ ዮሩባ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ወለዳ ንበዓልቲ ቤቱ ፡ ብዙሓት ማንታ ቆልዑት ወሊዳ- ኢሎም ምስ ኣማረሩ ገዲፋቶ ዝኸደት ኰይና፡ ኣብ ግዝኣት ኦጉን ከባቢ ኣዶ-ኦዶ ንበይኑ የዕብዮም ከምዘሎ ሓቢሩ። ሕዚ ኣብ 40ታት ዕድሚኡ፡ ናይ መጀመርታ ማንታ ክልቲኦም ብሞት ስኢኑዎም፤ ካብቲ ናይ መወዳእታ ማንታ ዝኾነ ወዲ ድማ ስለ ዝሞተ፡ 7 ቆልዑ እዩ ዘዕቢ ዘሎ። ሚስተር ኦጉንለይ፡ በዓልቲ ቤቱ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዝጠነሰትሉ ማንታ ከምዘይተጸበየን፡ ናብ ሆስፒታል ተጸዊዑ መስ ተነግሮ ከምዝተገረመን ገሊጹ:: “በዓልቲ ቤተይ ከም ዝወለደት ምስ ሰማዕኩ፡ ወዲ ድዩ ጓል ድዩ ኢለ ምሰ ሓተትተኩ፡ ‘ማንታ’ባ’ ኢሎምኒ።” እዚ ንዕኡ ዝጸንሐ ሕልሙ እዩ ነይሩ። “ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ብዛዕባኡ ክጽሊ ጸኒሐ፡ ሕዚ ድማ ንኣምላኽ ኣመስጊነ። ንበዓልቲ ቤተይ ሓቚፈ እንቋዕ ሓጐሰኪ ኢለያ።” እቲ ኣብ ምዕራብ ናይጀርያ ዝርከብ ማሕበረሰብ ዮሩባ፡ ኣብ ዓለምና ካብቶም ዝለዓለ መጠን ማንታ ዝወልዱ ማሕበረሰባት ሓደ እዩ። ኣብቲ ማሕበረሰብ፡ ማንታ “ኢበጂ” ይበሃሉ።  ብባህሎም ድማ ፡ እዚ ብናይ ሓደ ልደት ክስዕብ ኣለዎ ዝብል “ኢዶው” ዝበሃል እምነት ኣለዎም። ሚስተር ኦጉንለይ ግን በዓልቲ ቤቱ ኣብ እትጠንሰሉ ነፍሲ ወከፍ እዋን፡ ማንታ ምዃኖም ይዛረብ። \"ካልኣይ ግዜ ማንታ፡ ሳልሳይ ግዜ ማንታ፡ ራብዓይ ማንታ፡ ሓሙሻይ ማንታ\"። ክንድዚ ዝኣክል ማንታ ዝወለደሉ ምኽንያት ንዕኡ ምስጢር ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፡ ፍሉይ ነገር ከምዘይበልዕ ወይ ካብ ካልኦት ዝተፈልየ ከምዘይገብር ይዛረብ። ክንድ’ዚ ዝኣክል ቆልዑ ምዕባይ ፋይናንሳውን ኣካላውን ሳዕቤን’ኳ እንተሃለዎ፡ ካብዚ ንላዕሊ ክወልድ ስለዝደሊ፡ ዳግማይ ክምርዐው’ውን ይሓስብ። “ውሉዳት ካብ ኣምላኽ ዝመጹ በረኸት እዮም” ይብል።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cqvlyl369p4o"} {"headline":"ኣብ ናይጀርያ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ  ክርስትና  ዝወርድ  መጥቃዕቲ ይዛይድ ኣሎ","content":"ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ናይጀርያ ኣብ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ኣብ ብዙሓት ኣምለኽቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ሃይማኖታዊ ዓመፅ ኣሻቓሊ ኮይኑ ይርከብ። እቲ ንጕጅለታት ቤተ-ክርስትያን ዝውክል ክርስትያናዊ ማሕበር ናይጀርያ (CAN) ኣብ ኣብያተ-ክርስትያንን ክርስትያናትን ዝወርድ መጥቃዕቲ እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ገለጹ። ኣፈኛ ናይቲ ማሕበር ኣዴባዮ ኦላደጂ \"ተስፋ ዘይብሉ ዅነታት ይኸውን ኣሎ። ክኹነን ኣለዎ\" ድማኢሉ። ክንደይ መጥቃዕትታት ተፈጺሙ? ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ዝወረድ መጥቃዕትታት ካብ 2019 ኣትሒዙ ይውስኽ ከምዘሎ ግልጺ እዩ። ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ክሳብ ሕጂ ኣብ ህንጻታት ቤተ-ክርስትያንን ምስኦም እተተሓሓዙ ሰባትን 23 ዝተፈላለዩ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሙ ናይ ኣጽዋር ግጭት ቦታን ክስተትን ሓበሬታ ፕሮጀክት (ACLED) ዝኣከቦ ጸብጻብ ይሕብር። 31 መጥቃዕትታት ኣብ 2021 ከምኡ'ውን 18 መጥቃዕትታት ኣብ 2020 ተፈጺሞም ነይሮም። ኣብዛ ዓመት እዚኣ ዘጋጠሙ መጥቃዕትታት ነዚ ጕዳይ እዚ ፍሉይ ኣቓልቦ ክረክብ ገይሩ ኣሎ። • ብ5 ሰነ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ግዝኣት ኦንዶ ኣብ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን 40 ዝዀኑ ሰባት ተቐቲሎም። • መራሒ ቤተ-ክርስትያን ሜቶዲስት ሳሙኤል ካኑ ኡቺ ብ29 ግንቦት ኣብ ደብባዊ ምዕራብ ተጨውዩ። •  ኣብ ግዝኣት ካቲና ኽልተ ካህናት ብ29 ግንቦት ተጨውዮም። ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት እውን ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ዝወርድ መጥቃዕቲ ኣዝዩ ልዑል ነይሩ። ብ2012 ክሳብ 46 ዝበጽሑ መጥቃዕትታት ከምዝተፈጸሙ ካብ ናይ ኣጽዋር ግጭት ቦታን ክስተትን ሓበሬታ ፕሮጀክት (ACLED) ዝተረኸበ ጸብጻብ ይሕብር። ኣብ 2012 ሚያዝያ ኣጽዋር እተዓጥቁ ሰባት ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ኸተማ ካኖ ዝርከቡ ክርስትያን ኣምለኽቲ ዝጥቀሙሉ ኣብ ዝነበሩ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትያትር እንተ ወሓደ 15 ሰባት ቀቲሎም እዮም። ጸኒሑ ኸኣ ብ2012 ኣብ ማእከላይ ናይጀርያ ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስትያን ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ እንተ ወሓደ 19 ሰባት ሞይቶም። ኣብቲ እዋን መብዛሕትኡ እቲ መጥቃዕቲ ብቦኮሓራም ዝበሃሉ ወተሃደራት እስላም ዝተፈጸመ እዩ። ይኹን እምበር ናይ ኣጽዋር ግጭት ቦታን ክስተትን ሓበሬታ ፕሮጀክት (ACLED) ከምዝገለጾ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምስ ክርስትያናት እተተሓሓዘ  እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ መጥቃዕትታት ዘለዎም ሃይማኖታዊ ምትእስሳር ብዘየገድስ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም እዩ። ከም ቦኮሓራም ዝኣመሰሉ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ኣብ ልዕሊ እቶም ንእስላም ትርጕም ዘይህቡ ገይሮም ዝረኣይዎ ማሕበረሰባት ምስልምና መጥቃዕቲ ይፍጽሙ ኣለው። ንኣብነት ንእስላም ኣዋልድ ኣብ ዘምህራ ኣብያተ-ትምህርቲ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ቈልዑት እውን ተጨውዮም እዮም። ኣንጻር እዞም ወተሃደራት እዚኣቶም እተዛረቡ መራሕቲ እምነት ምስልምና እውን ግዳይ መጥቃዕቲ ኾይኖም እዮም። ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና መጥቃዕቲ እንተፈጸሙ እኳ  ካልኦት መጥቃዕቲ ግን ምስ ብመናዓብቲ ወይ ዘረፍቲ ዝተፈጸሙ እዮም። ኣብዞም መጥቃዕቲታት ክርስትያናትን እስላምን ግዳይ እንትኾኑ ኣባይትን ቦታታት ኣምልኾን ድማ ዓንዮም እዮም።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyx3yd9drdpo"} {"headline":"ዝተምሃረሉ ዩኒቨርሲቲ ዲግሪኡ ወሲዱ ገንዘቡ ክምልሰሉ ዝሓተተ ናይጀርያዊ","content":"ዝተምሃረሉ ዩኒቨርሲቲ ነቲ 'ረብሓ ዘይብሉ' ዝበሎ ዲግሪ ወሲዱ ገንዘበይ ይምለሰለይ ክብል ዝሓተተ ናይጄርያዊ ኣዘራራቢ ኮይኑ፡፡ ወዲ 36 ዓመት ኦሉዴር ኣላባ ንሓሙሽተ ዓመታት ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ተማሂሩ ኣብ 2015 ብዲግሪ ተመሪቑ፡፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ገንዘቡ ክመልሰሉ ዝሓተተ ኣላባ፡ ካብቲ ዩኒቨርሲቲ እኳ ምላሽ እንተዘይረኸበ፡ በቲ ኩነታት ዝሓዘኑ ሰባት ግን ገንዘባዊ ሓገዝ ገይሮምሉ፡፡ ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ደቡብ ምዕራባዊ ናይጄርያ ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት መንግስታዊ ኣኮንዴ ኣኪንቶላ ዩኒቨርሲቲ ከይዱ ገንዘቡ ክመልሰሉ እንትሓትት ዘርእይ ቪድዮ ብዙሓት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዘርጊሖምዎ ነይሮም፡፡ ብድሕሪኡ፡ ምስ ቢቢሲ ዮሩባ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት፡ በቲ ብዙሕ ገንዘብ ከፊሉ ዝረኸቦ ዲግሪ ስራሕ ክረክብን ኣብ ህይወቱ ዝረብሕ ለውጢ ከምጽእን ከምዘይከኣለ ተዛሪቡ፡፡ እንተኾነ ነቲ ዲግሪ ንምርካብ ከንደይ ከምዘውጸአ ኣይገለጸን፡፡ ‘‘ወዲ 90 ዓመት ኣቦይ፡ ከምቲ ተለቂሑ ዘምሀረኒ፡ ‘ተለቂሕካ ዲኻ ክትቀብረኒ?’ ኢሉ ይሓተኒ’’ ኢሉ፡ ‘‘ካብ ሰብ ዝነኣስኩ መሲሉ ስለዝስመዓኒ፡ ተስፋ ቆሪጸ ካብ ገዛይ ወጺአ፡፡’’ ዋላኳ እቲ ዩኒቨርሲቲ ገንዘቡ እንተዘይመለሰሉ፡ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ናይ ዝተምሃሩ ማሕበር ግን ኣስታት 1200 ዶላር ኣተኣኻኺቡ እግሪ ክተክል ሂብዎ፡፡ ኣላባ በቲ ዝረኸቦ ሓገዝ ገንዘብ ላፕቶፕን ካልኦት መሳርሕታትን ገዚኡ ኣብ ኢንተርነት መደባት እናዳለወ ህይወቱ ንምቕያር ተስፋ ገይሩ ኣሎ፡፡","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crgx95gg5glo"} {"headline":"ዴንማርክ ኣብ ቁጽጽራ ኣእትያቶም ዝጸንሐት ጥርጡራት ሸፋቱ ባሕሪ ፈቲሓ","content":"እቶም ኣብ ሓንቲ ንእሽተይ ጀልባ ተሳፊሮም ዝተለቀቑ ሰለስተ ጥርጡራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ወሽመጥ ባሕሪ ጊኒ ድሕሪ ናይ ተኹሲ ልውውጥ ኣብ ቁጽጽር ዝኣተው እዮም። ሓይልታት ምክልኻል ዴንማርክ እቶም ብናይ ባሕሪ ሽፍትነት ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብቲ ኣብ ቁጽጽር ዝኣተውሉ ዞባ እትርከቦም ሃገር ክረክብ ኣይከኣልኩን ኢሉ። በዚ ምኽንያት እቶም ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ጥርጡራት ሸፋቱ ባሕሪ እኹል መግብን ነዳድን ተዋሂብዎም ኣብ ከባቢ ማያት ናይጄርያ ነጻ ከምዝተሰደዱ ተፈሊጡ። እቶም ሰባት ብ 24 ሕዳር ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኮንተይነር ዝጽዓነት መርከብ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ብዝተኻየደ ናይ ተኹሲ ልውውጥ ኣብ ቁጽጽር ከምዝኣተዉ ሰበ ስልጣን ዴንማርክ ኣብሪሆም። ካብቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ እቶም ኣርባዕተ ብወተሃደራት ዴንማርክ ክቕተሉ እንከለው ካልኦት ኣርባዕተ ድማ ኣብ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ዴንማርክ ተኣሲሮም ይርከቡ። ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ዴንማርክ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ብዝብል ዝተኸሰሱ ኮይኖም ንሳቶም ግን ከምዘይወዓልዎ ተዛሪቦም። ካብቶም ጥርጡራት ሓደ: ሓንቲ እግሩ ናብ ዝተቐረጸሉ ጋና ከይዱ’ኳ እንተነበረ ብናይ ቅትለት ፈተነ ተኸሲሱ ናብ ዴንማርክ ተዛዊሩ። ንእኡ ኣብ ባሕሪ ነጻ ምስዳድ ውሑስ ከም ዘይነበረ ሚኒስትሪ ፍትሒ ዴንማርክ ሓቢሩ። ኣብቶም ካልኦት ሰለስተ ተመስሪቱ ዝነበረ ክሲ ግና ከምዝተቛረጸ ጠበቓታቶም ንኤኤፍፒ ተዛሪቦም። እንተኾነ ግን ናይቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ ተጠርጣሪ ጠበቓ ዝኾነ በርጊት ስኪጆት ኣብ ልዕሊኡ ክሲ ክምስረት ምውሳኑ ክነቅፍ እንከሎ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ውሽጢ ሃገር “ንኣርባዕቲኦም ብማዕረ ዓይኒ ዘይምርኣይ ልክዕ ኣይኮነን” ክብል ተዛሪቡ። ዴንማርክ ብናይ ባሕሪ ሽፍትነት ዝተጠርጠረ ሰብ ናብ ግዝኣታ ክተእቱ እዚ ንፈለማ እዋን እዩ። ዴንማርክ ኣብ ወሽመጥ ባሕሪ ጊኒ ምስ ዝርከባ ሃገራት ሸፋቱ ባሕሪ ኣሕሊፍካ ንምሃብ ዘስገድድ ውዕል የብላን። እቲ ነዳድን ጋዝን ዝጽዓና መራኽብ ዝመላለሳሉ ወሽመጥ ባሕሪ ጊኒ ንዝተወሰነ ዓመታት መዕንደሪ ሸፋቱ ባሕሪ ኮይኑ ጸኒሑ’ሎ። ፖለቲካዊ ዘይምርግጋዕ፣ ልሕሉሕ ተፈጻምነት ሕግን ድሕነትን ኣብቲ ዞባ ሽፍትነት ባሕሪ ክስፋሕፋሕ ምኽንያት ኮይኑ’ዩ። እንተኾነ ግን ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ንምሕያል ሰበ ስልጣናት እተን ሃገራትን መራኽብ ወጻኢ ሓይልታትን ሓበራዊ ጻዕሪ የካይዱ ኣለዉ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59920547"} {"headline":"ዝልሓኹ ሰነዳት፡ ኣብ ናይጄሪያ ሓደ ሕቡእ ጉጅለ ገበን ምትላላትን ቕትለትን ክፍጽም ምጽንሑ ሓቢሮም","content":"ኣብ ናይጄሪያ ምስ ቕትለትን ምትላላትን ብዝተሓሓዝ ሓደ ጨካን ጉጅለ ማፊያ ኣብ ፖለቲካዊ ስርዓት እታ ሃገር ልሒኹ ብምእታው ዶብ ሰጊሩ ዓለምለኻዊ ናይ ምትላል ስራሕቲ ከም ዝጀመረ ቢቢሲ ዝርኣዮም ኣሽሓት ዝልሓኹ ሰነዳትን መሰኻኽር ዓይን ኣረጋጊጾም። እዚ 'Black Axe' ዝተባህለ ጉጅለ ንዓሰርታት ዓመታት ኣብታ ሃገር ክንቀሳቐስ ዝጸንሐን ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ዝፍርሑ ውዱብ ናይ ገበን ማሕበር እዩ። ኣባላት እዚ ማሕበር ኣብታ ሃገር ዝተኸልከሉን \"ኣሕዋት\" ተባሂሎም ዝጽውዑን እዮም። ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣይ ኣባላት እዚ ማሕበር ንዝነበሩ ከዘራርብን ካብ ብርክት ዝበሉ ፍሉጣት ኣባላት እዚ ጉጅለ ዝተጠለፉ ልሒኾም ዝወጽኡ ኣሽሓት ሰነዳትን ክከታተልን ጸኒሑ። ኩሎም እቶም ዝተጠለፉ ሰነዳት ምርግጋጽ ዝክኣል ኣይነበረን፤ እንተኾነ ኣገደስቲ ሰነዳት ብቢቢሲ ክረጋገጹ ክኢሎም እዮም። ካብኣቶም፡ ብ2019 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ሕጹይ ሰልፊ ፖለቲካ ኤፒሲ ዝነበረ ፍሉጥ ናይጄሪያዊ በዓል ሃፍቲ ኣጉስተስ በሚግሆ ላዕለዋይ ኣባል እዚ ጉጅለ ምንባሩን ሚሊዮናት ዶላራት ምትላላት ኢንተርነት ኣብ ምውህሃድን ኢድ ከም ዝነበሮ ዘረጋግጽ ኢሜይል ይርከብ። እቲ ቢቢሲ ዝርኣዮ ዕቑር ሰነዳት ልዕሊ 18 ሽሕ ገጻት ዘለዎ ምስ መጥቀሚ ኢሜይል በሚግሆ ዝተኣሳሰረ ኮይኑ፡ ንሱ ኣብ 62 ኣጋጣሚታት ናብ ተሓባበቱ መምርሒታት ምትላላት ከም ዝልኣኸን ብዛዕባ ገለ ዒላማ ምትላላት ምስ ካልኦት ከም ዝተዘራረበን የረድኡ። ንሓደ ግዳይ ዝምልከት ሓደ ናብ በሚግሆ ዝተላእኸ ኢሜይል \"ካብ ሓደ ሚሊዮን ዶላር ዝጽጋዕ ኣሊናዮ ኣለና\" ይብል። እዚ ኢሜይል ሙሉእ ሽም እቲ ግዳይ፣ ናይ ኢሜይል ኣድራሻን ቑጽሩ፣ እቲ ምትላል ከመይ ክፍጸም ከም ዘለዎ ዘረድእ መምርሒታት ዝሓዘ እዩ። ቢቢሲ በዚ መገዲ፡ ኣስታት 3.3 ሚሊዮን ዶላር ከም ዝተታለሉ ዝገልጹ ክልተ ግዳያት ረኺቡ እዩ። ዓለምለኻዊ ኤጀንሲታት ምኽባር ሕጊ እዚ ጉጅለ ካብ ዝፍጽሞም ምትላላት ቢሊዮናት ከሲቡ ክኸውን ከም ዝኽእል የመልክቱ። ቢቢሲ በሚግሆ ርኢይትኡ ክህብ ሓቲቱዎ'ዩ፤ እንተኾነ ነቲ ዝቐርበሉ ክሲ መልሲ ኣይሃበን። ገሊኦም ምስዚ ሰነድ ዝተትሓሓዙ ጉዳያት ኣዝዩ ዘሰክፍ ናይ ገበን ምንቅስቓሳት ዘርእዩ ስለ ዝኾኑ ንክትሓትሞም ዘሰንብዱ'ዮም። እንተኾነ እዚ መረዳእታ ጉጅለ 'Black Axe' ካብ 2009 ክሳብ 2019 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ዘለው ዓመታት ኣብ ፖለቲካ ናይጄሪያ ግዝኣት ኢዶ ዝነበሮ ኢድ ኣእታውነት ክሳብ ክንደይ ዘስግእ ምዃኑ የመልክት። ክልተ ሰነዳት፡ ኣብ ከተማ ቤኒን 35 ሚሊዮን ኒራ [ልዕሊ 64 ሽሕ ፓውንድ] ኣብ ናይጄሪያ ንዝተመዝገበ ኩባኒያ ኤንቢኤም [Neo-Black Movement of Africa] ከም ዘመሓላለፈ ይገልጹ። እዚ ትካል ኣብ መረጻ 2012 ዓ.ም \"ድምጽታት ንምሕላው\" ከምኡ'ውን ዓወት ንምርግጋጽን ብዝብል ዝተጣየሸ እዩ። ነቲ ዝተገብረሉ ሓገዝ ድማ \"ኤንቢኤም ዞባ ቤኒን ብቐጥታ ብመንግስቲ ቑጻር ንክረክብ 80 ክፍቲ ቦታ ተመዲብሉ ኣሎ\" ይብል። መናእሰይ ናብ ከም 'ብላክ ኣክስ' ዝበሉ ጉጅለታት ንከይምልመሉ ዝቃለስ ነባሪ እታ ከተማ ዝኾነ ኩርቲስ ኦጌቤቦር ፖለቲካ ናይጄሪያ \"ናይ ማፊያ ፖለቲካ\" ኮይኑ እዩ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። \"እዚ ኣብ ኩሉ መንግስታዊ ቦታታት ዘሎ'ዩ ዝመስል፤ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ። ኣብ ኹሉ ኢኻ ትረኽቦም\" ይብል። ኤንቢኤም ነቲ ምስ 'ብላክ ኣክስ' ርክብ ኣለዎ ብዝብል ዝቐረበሉ ክሲ ክነጽጎ እንከሎ ጠበቓታቱ ድማ ዝኾነ ኣባል እቲ ጉጅለ ማፊያ ዝነበረ \"ብቐጥታ ተሰጒጉ'ዩ\" ኢሎም። ኤንቢኤም ኣብ መላእ ዓለም ሰለስተ ሚሊዮን ኣባላት ከም ዘለውዎ ክገልጽ እንከሎ ኣብ ናይጄሪያን ሃገራት ወጻእን ንኣብያተ ትምህርቲ፣ ፖሊስን ዘኻትምን ስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ከም ዝሰርሑ ገሊጹ። ፕሬዝደንት እቲ ትካል ኢሴ ካኮር \"ኤንቢኤም ብላክ ኣክስ ኣይኮነን። ምስ ገበን ዋላ ሓደ ርክብ የብሉን\" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ዓለምለኻዊ ኤጀንሲታት ምኽባሪ ሕጊ ግን ዝተፈለየ መርገጺ ኣለዎም። ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ኣመሪካ ኤንቢኤም \"ገበነኛ ትካል\" ኢሉ ክፍርጆ እንከሎ ኣካል \"ብላክ ኣክስ እዩ\" ብምባል ይጽውዖ። ሰብ መዚ ካናዳ'ውን ብላክ ኣክስን ኤንቢኤምን \"ሓደ እዮም\" ይብሉ። ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ኤፍቢኣይን ኢንተርፖልን ኣብ ዘካየዱዎም ስርሒታት ኣብ መሪካን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝነበሩ ልዕሊ 35 ኣባላት ኤንቢኤም ኣሲሮም'ዮም። እዚኦም ምስ ብርክት ዝበለ ሚሊዮናት ዶላራት ናይ ኢንተርነት ምትላል ገበን ተኸሲሶም ኣለው። ኤንቢኤም ግን እዞም ውልቀሰባት ካብ ኣባልነት ተኣጊዶም ዝነበሩ'ዮም ኢሉ። ሰብ መዚ ካናዳ'ውን ብላክ ኣክስን ኤንቢኤምን \"ሓደ እዮም\" ይብሉ። ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ኤፍቢኣይን ኢንተርፖልን ኣብ ዘካየዱዎም ስርሒታት ኣብ መሪካን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝነበሩ ልዕሊ 35 ኣባላት ኤንቢኤም ኣሲሮም'ዮም። እዚኦም ምስ ብርክት ዝበለ ሚሊዮናት ዶላራት ናይ ኢንተርነት ምትላል ገበን ተኸሲሶም ኣለው። ኤንቢኤም ግን እዞም ውልቀሰባት ካብ ኣባልነት ተኣጊዶም ዝነበሩ'ዮም ኢሉ። ብ2017 ዓ.ም፡ ሰብ መዚ ካናዳ ምስቲ ጉጅለ ብዝተሓሓዝ ክፍጸም ተሓሲቡ ዝነበረ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ሓሙሽተ ቢሊዮን ዶላር ክስበር ገይሮም'ዮም። እዚ ሓደ ካብቶም ዓለምለኻዊ ስርሒታት ምትላል እዚ ጉጅለ ገበን ተባሂሉ ዝውሰድ እዩ። ክሳብ ሕጂ ክንደየናይ ተመሳሰልቲ ምትላላት ተፈጺሞም ዝብል ኣይፍለጥን፤ እንተኾነ እቶም ልሒኾም ዝወጽኡ ሰነዳት ኣብ ሌጎስ፣ ለንደን፣ ቶክዮ፣ ዱባይን ካልኦት ብዙሓት ሃገራትን ኣባላት ከም ዘለውዎ የርእዩ። ኣብ ናይጄሪያ ብላክ ኣክስ ኣብ ጎደናታት ብዝፍጸሙ ገበናትን ምስቓያትን ከምኡ'ውን ምስ ፖለቲካን ንግድን ዝተኣሳሰሩ ገበናትን እዩ ዝፍለጥ። ንፈለማ እዋን ንዓለምለኻዊ ሚዲያ ዝተዛረበ ሓደ ኣባል መንግስቲ ግዝኣት ኢዶ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣባልነት እዚ ጉጅለ ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ዝኣተወ እዩ ኢሉ። \"ንዓይ ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ዘሎ ኣባል ብላክ ኣክስ ኣለሊ እንተኢልኩምኒ ክፈልጦ ይኽእል'የ። መብዛሕትኦም ፖለቲከኛታት፡ ዳርጋ ኩሎም ኢድ ኣለዎም\" ኢሉ ቶኒ ካባካ። ንሱ ስልጣን መንግስቲ ካብ ዝገድፎ ኣትሒዙ ብዙሕ ናይ ሞት ፈተነ በጺሑዎ እዩ። መንግስቲ ኢዶ ኣብዙ ጉዳይ ርኢይቶ ክህብ ተሓቲቱ፤ እንተኾነ ኣይመለሰን።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59633199"} {"headline":"ሃድን ንሰብ ናብ ድሙ ክንቅይሮ ንኽእል ኢና ዝብሉ ናይጀርያውያን","content":"በሊሕ ካራን መጉልሒ ድምጽን ሒዙ ሙሉእ ንሙሉእ ጸሊም ዝተኸድነ ጂበንጋ ኣዴዎይን፡ ናይ ማእከላይ ዘመን ጠንቋሊ፣ ባህላዊ መድሃኒት ዝሸይጥ ወይ ናይ ከተማ ሰባኺ ንምርካብ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ናይጄሪያ ኣብ እትርከብ ከተማ ኢባዳን ኣብ ዝርከብ ዕዳጋ ይዘውር ነበረ። መጠንቀቕታ፡ እዚ ጽሑፍ ንገለ ኣንበብቲ ዘቖጥዑ ትሕዝቶታት ኣለዎ። እቶም ኣብ ዕዳጋ ግባጊ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዝነበሩ ነዚ መልእኽቲ ምስ ሰምዑ ተበቲኖም። ጂበንጋ ኣዴዎይን ግን፡ \"ጁጁ በልዎ ኣስማት ቩዱ ህላወ መለኮታዊ ሓይሊ ዘረጋገጸ 2.5 ሚሊዮን ናይራ (6000 ዶላር) ክወሃቦ'ዩ\" ክብል ብተደጋጋሚ ብቋንቋ ኢንግሊዘኛን ዮርባን ይዛረብ። እዚ ወዲ 26 ዓመት ዘይኣማኒ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብታ ኣዝያ ሃይማኖታዊ ሕብረተሰብ ዘለዋ ሃገር ንመለኮታዊ ሓይሊታት ወይ እምነታት ብምምጓት ዝፍለጥ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ናይጄሪያ፡ ባህላዊ እምነት ወይ ጁጁ ዝብሉዎም ሽሕር [ኣስማት] ምእማን ብዙሕ እዩ። እዚ ገሊኦም ምስ ክርስትና ወይ እስልምና ሓዊሱም ዝኣምኑሉ ምዃኑ ማእከል መጽናዕቲ ፒው ብ2010 ዘውጽኦ ጸብጻብ የመልክት። ብዙሓት ናይጀርያውያን ኣስማታዊ ሓይሊ ሰባት ናብ ዱሙ ክቕየሩ፣ ካብ መጥቃዕቲ በሊሕ ካራ ዝከላኸል ቆርበት ክህልወካ ይገብር፣ ካብ ዕትሮ ገንዘብ ይወጽእ ኢሎም ይኣምኑ። ከምዚኦም ዝበሉ እምነታት ኣብቲ ዘይተማህረ ዝብሃል ክፋል ሕብረተሰብ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ዝበጽሑ ሰባት'ውን ዘሎ'ዩ። ዶክተር ኦላሌይ ካዮዴ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኢባዳን መምህር ሃይማኖታት ኣፍሪቃውያን ደቀባት እዩ። ብሽሑር ገንዘብ ናይ ምስራሕ ስርዓታት ኣምልኾ ክፍሊታት ሰብነት ወዲሰብ ምስ መጋየጺታት ክሕወሱ ምግባር ካብ ዕትሮ ገንዘብ ከም ዝወጽእ ምግባር ብሓቂ ይሰርሕ እዩ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። እቲ ይወጽእ እዩ ዝብሃል ገንዘብ \"መናፍስት ካብ ባንኪታት ዘውጽኡዎ እዩ\" ኢሉ። ጁዴ ኣካንቢ ድማ መምህር ስነ ሃይማኖት እዩ፤ \"ንባዕልኻ ናብ ድሙ ናይ ምቕያር፣ ምጥፋእ ወይ ተመሊስኻ ምምጻእ ብባህላዊ ኣፍሪቃዊ ሃይማኖት ዝክኣሉ ነገራት እዮም\" ይብል። \"ዋላ እውን ስነ ሞጎታዊ ኣይምሰል በቲ ብኣፈ ታሪኽ ንሰምዖ ከምዚኦም ዝበሉ ነገራት ይክኣሉ እዮም\" ኢሉ። ከምዚኦም ዝበሉ እምነታት፡ ብፍላይ ገለ ክፋል ሰብነት ወዲ ሰብን መጋየጺታትን ኣብ ዕትሮ ገንዘብ ክወጽእ ይገብሩ እዮም ኢልካ ምእማን ኣብ ቀረባ እዋናት ብሰንኩ ዝፍጠሩ ቅትለታት ወዲ ሰብ ክውስኹ ምኽንያት ኮይኖም ኣለው። በዚ ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ግዳያት ኮይነን ኣለዋ። \"መንእሰያት ኣብ ከምዚ ዝበለ ቕትለት ተዋፊሮም ምርኣይ ኣዝዩ ዘሕምም እዩ። እዚ ገንዘብ ብሽሑር ክመጽእ ዝክኣል እንተዝኸውን ነይሩ ንዓሰርታት ዓመታት ብዙሓት ካብ ቁጠባዊ ጸገማት ክናገፉ ምርኣና ነይርና\" ይብል ኣዴዎይኒ። ንሱ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ከምዚኦም ዝበሉ ስርዓታት ብተግባር ኣርአዩ ከእምኖ ንዝኽእል ሰብ 2.5 ሚሊዮን ናይራ ንምሃብ ጎስጓስ ይገብር ነይሩ። እዚ ብትዊተር ብዝግበር ምንቅስቓስ ዝእከብ ገንዘብ እዩ። \"እቲ ካራ ድማ ነቶም ኣስማት ከይትውጋእ ይገብር እዩ ንዝብሉ እዩ\" ኢሉ። ዝበዝሕ ሕብረተሰብ ናይጄሪያ፡ ህላወ ስነ መለኮታዊ ሓይሊ ኣብ ሕቶ ምእታው ነውሪ'ዩ ኢሉ ዝኣምን እዩ። ከምቲ መንእሰይ ኣዴዎይኒ ኣብ ዕዳጋ ዝገበሮ ብቕሉዕ ንዕኡ ዘለካ ተቓውሞ ምግላጽ ንነብስኻ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ። ብቐሊሉ ብዕስለ ክቕጥቐጥ ወይ ክእሰር ይኽእል። ሓደ ኣብቲ ዕዳጋ ካብ ዝነበሩ ሰባት \"ዝዛረቦ ዘሎ ኣይፈልጥን፤ ጁጁ ከመይ ከም ዝሰርሕ'ውን ኣይፈልጥን\" ክብል ተዛሪቡ። ንሱ፡ ኣብ ጁብኡ ይከላኸለለይ እዩ ዝበሎ ካብ ንኡሽቶ ቆርበት ዝተሰርሐ ኣስማታዊ ጸላም ክታብ ሒዙ ነይሩ። ይኹን'ምበር ኣብቲ እኩብ ህዝቢ ነዚ ኣውጺኡ ከመይ ከም ዝሰርሕ ከርእዮም ኣይደፈረን፤ ዋላ'ውን 6000 ዶላር ዝውህብ እንተኾነ። እዚ እምነት፡ ጎና ጎኒ ሃይማኖታት እስልምናን ክርስትናን'ውን ዝኸይድ ስለ ዝኾነ፡ ብርክት ዝበሉ ፓስተራት ኣስማት መርገም ሰይጣን የርሕቕ እዩ እናበሉ ሃፍቲሞምሉን ህቡብነት ኣጥርዮምሉን እዮም። ይኹን'ምበር ዋላ ሓደ ነቲ መንእሰይ ኣዴዎይኒ ዘልዕሎ ዘሎ ሕቶ ብተግባር ክምጉት ዝኽኣለ ሰብ የለን። ዋላ'ውን እቲ ዝዛረቦ ዘሎ እንተዘይተቐበሉዎ ኣብ ቀረባ ብሰንኪ እቲ ገንዘብ ዘርክብ ስነ ስርዓት ጥንቆላ ወይ ኣምልኾ ሽሕር ዝተረኽቡ ኣስክሬናት ግን ዋላ ሓደ ክሓብኦም ኣይክኣለን። ኣብ ናይጀርያ፡ ሰባት ናይ ሰብነት ኣካላቶም ንሽሕር [ኣስማታዊ] መዓላ ንክውዕል ብዝብል ምቕታል ኣብ መፋርቕ 1990ታት ዝጀመረ ኮይኑ ብ1996 ወዲ 11 ዓመት ቖልዓ ተጨውዩ ተወሲዱ ምስ ተቐትለ ዓበይቲ ዓመጻት ተላዒሎም እዮም። ሕጂ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰብ ጠፊኡ ምባልን ስእልታት ጥንቆላ ምልጣፍን ብብዝሒ ይርኣይ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ግዝኣት ኦጋን ንሓደ ሃፍታም ክኸውን እዩ ብዝብል ኣካላት ሰብነት ወዲ 17 ዓመት ቖልዓ ዝቐተሉ ሰለስተ ሰባት ዓብዪ ተቓውሞ ዘልዓለ ኮይኑ ፖሊስ ናብ ቤት ፍርዲ ምስ ኣቕረቦም ከም ዝቐተሉዎ ተኣሚኖም እዮም። መናእሰይ ቐልጢፎም ሃፋትም ክኸኑ ይኽእሉ'ዮም ብዝብል ኣብ ኢንዳስትሪ ፊልሚ እታ ሃገር ከይተረፈ ዝስራሕ ዘሎ ስራሕቲ ማሕበረሰባዊ ጸቕጢ የሕድር ኣሎ ክብሉ ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ይዘራረብሉ ኣለው። እቲ ቕትለታት፡ ሓገግቲ'ውን ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ክካትዑን \"ከምዚኦም ዝበሉ ኣምልኾታዊ ስርዓታት ዝፍጸሙ ቕትለታት\" ኣመልኪቱ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ክድንገግን ገይሮም እዮም። ሚኒስትሪ ሓበሬታ እታ ሃገር ፊልምታትን ማሕበራዊ ሚዲያን ምኽንያት ከምዚኦም ዝበሉ ቕትለታት ከም ዝኾኑ ነቒፉ። ነዚኦም ተሓታቲ መን'ዩ ብዘየገድስ ስርዓት ትምህርቲ ናይጄሪያ ሽሕር ወይ እምነት ስነ መለኮታዊ ሓይሊ ሓቂ ኣይኮነን ኢሉ ኣብ ምእማን ግን ወዲቑ እዩ ክብል ኣዴዎይን ይካታዕ። እቲ ሕጂ ዝገብሮ ዘሎ ጎስጓስ ድማ መታለልቲ ወይ ኣስማት ዝጥቀሙ ዘለው ሰባት ክቃልዑን ኣብታ ሃገር ዘጋጥም ዘሎ ቕትለት ጠጠው ከብልን ጸቕጢ ከሕድር ተስፋ ይገብር። \"ምኽንያታዊ ንዝኾነ ሰብ ናብ ባናና ወይ መቁር ድንሽ ክቕየር እዩ ኢልካ ምእማን ስነ ሞጎታዊ ኣይኮነን፤ መጨነቒ እዩ\" ኢሉ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60739288"} {"headline":"‘ኣብዚ ካብ ምንባር ኣብ ዩክረይን ምውጋእ ይሓይሽ’- ናይጀርያዊ ወለንተኛ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ከምዝጀመረት ዝገልጽ ዜና ምስ ሰምዐ፡ ወዲ 27 ዓመት ናይጄርያዊ ኦታህ ኣብርሃም ኣዝዩ ሰንቢዱን ሓሪቑን ነይሩ፡፡ ሽዑ ንሽዑ ድማ ቴሌፎኑ ኣልዒሉ ‘‘ናብኣቶም (ዩክሬናውያን) ክጽምበር እየ’’ ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ፡፡ ንሱ፡ ካብቲ ኲናት ዝካየደሉ ግንባር 8700 ኪሜ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ዋና ከተማ ናይጄርያ ሌጎስ፡ ኣብ ሓንቲ ንኡሽተይ ገዛ እዩ ነይሩ፡፡ እዚ ምሩቕ ትምህርቲ ፍልስፍና መንእሰይ፡ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ኣንጻር ወራር ሩስያ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ክሳተፉ ከምዝደልዩ ዝገለጹ ናይጄርያውያን፣ ኬንያውያን፣ ሰኔጋላውያን፣ ደቡብ ኣፍሪቃውያንን ኣልጄርያውያንን ሓደ እዩ፡፡ ሓደ ምኽንያት እዞም መናእሰይ እቲ ጽንኩርን ተስፋ ዘይብሉን መነባብሮ ኣፍሪቃ እዩ፡፡ \"ኵናት ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፤ ጸወታ ቆልዑ ኣይኮነን’’ ክብል ንቢቢሲ ዝተዛረበ ኣብርሃም ‘‘ እንተኾነ ኣብ ዩክረይን ወታሃደር ምዃን ኣብዚ ካብ ምንባር ክሓይሽ እዩ፡፡ እቲ ኲናት እንተተወዲኡ እውን ኣብኡ ክጸንሕ ክፈቕዱለይ ይኾኑ እዮም፤ ብተወሳኺ ንፍሉጥ ጸላኢ ብምቅላሰይ ጅግና ክኸውን እየ’’ ይብል። ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ወጻእተኛታት ተዋጋእቲ ኣብ ጎኖም ተሰሊፎም ክዋግኡ ዘቕረቦ ጻውዒት ስዒቡ ካብ መላእ ዓለም ኣስታት 20 ሽሕ ወለንተኛታት ንዕስክርና ከምዝተኸተቡ እዩ ዝግለጽ፡፡ እቲ መንግስቲ ድማ ነቲ ልሙድ ናይ ቪዛ ከይዲ ኣትሪፉ፡ ፓስፖርት ንዘለዎምን ወታሃደራዊ ስልጠና ዝወሰዱን ሰባት፡ መሃያን ኣጽዋርን እናሃበ የሰልፎም ኣሎ፡፡ እንተኾነ እቶም ተዋጋእቲ ድሕሪ እቲ ኲናት ኣብ ዩክረይን ክጸንሑ ክፍቀደሎም ብዛዕባ ምዃኑ ግን ብወግዒ ዝተገለጸ ነገር የለን፡፡ ኬረቲ ኦሰሮ፡ ኣብቲ ኲናት ክሳተፍ ዝደልይ ካልእ ናይጄርያዊ እዩ፡፡ እቲ ኣብ ከተማ ኣቡጃ ዝነብር ወዲ 29 ዓመት መንእሰይ፡ ድልየቱ ገንዘብ ወይ ዜግነት ምስ ምርካብ ዘራኽብ ከምዘይብሉ እዩ ዝገልጽ፡፡ ‘‘ኣብ ምቹው ናብራ እየ ዝነብር፡፡ ናብ ኣውሮጳ ክኸይድ እንተደልየ፡ ብኲናት ዘይኮነስ ብትምህርቲ ክኸይድ ይኽእል እየ፡፡እዚ ንዓመጸኛታት ናይ ምስዓር ጉዳይ እዩ፤ ናይ ሓደ ፍትሒ ምጉዳል ናይ ኩሉ ፍትሒ ምጉዳል እዩ’’ ይብል፡፡ ድሕሪ ጻውዒት ዘለንስኪ ብዓሰርተታት ዝቑሩ ናይጄርያውያን ኣብ ኣቡጃ ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ዩክረይን ብምቕናዕ ንዕስክርና ክምልመሉ ሓቲቶም፡፡ 'ዕሱባት ኣይንፈቅድን' ልክዕ ከም ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ መንግስቲ ናይጄርያ እውን ዜጋታቱ ኣብ ኲናት ዩክረይን ክሳተፉ ብዘይምፍቃዱ፡ ኣብ ናይጄርያ ዝርከብ ኤምባሲ ዩክረይን እውን ነቲ ዝሓሰቦ ከሳልጥ ኣይከኣለን፡፡ ሚኒስተር ወጻኢ ናይጄርያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ‘‘ናይጄርያ ኣብ ዝኾነ ዓለም ዕሱባት ምጥቃም ኣይትድግፍን፤ ዕሱባት ምምልማል እውን ኣይትጻወርን’’ ኢሉ፡፡ ኣፍሪቃውያን ንክዋግኡ ከምዘይኸፍሉዎም ዝገልጽ ኣብ ናይጄርያ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ዩክረይን በዓል መዚ ዝኾነ ቦህዳን ሶልቲስ፡ እቶም ፍቓደኛታት ናብ ኣውሮጳ ንምብጻሕ ናይ በረራ ክፍሊቶም ባዕሎም ክሽፍኑ ከምዘለዎም እዩ ዝገልጽ፡፡ ‘‘ኣብ መንጎ ወለንተኛ ወጻእን ዕሱባትን ንጹር ዝኾነ ኣፈላላይ ኣሎ’’ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡ ጸኒሑ ድማ ዝኾነ ወለንተኛ ከይቅበል መምርሒ ከምዝተውሃቦ ተዛሪቡ፡፡ መንግስቲ ሰኔጋል እውን ዜጋታቱ ንዕስክርና ከይምዝገቡ ዝኣዘዘ ኮይኑ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ኤምባሲ ዩክረይን ንዘውጸኦ ናይ ተመዝገቡ መጸዋዕታ እውን ዘይሕጋዊ ብምባል ከውርዶ ገይሩ እዩ፡፡ መንግስቲ ኣልጄርያ እውን ኣብታ ሃገር ንዝርከብ ኤምባሲ ዩክረይን ተመሳሳሊ ትእዛዝ ሂቡ፡፡ ‘‘ሃገረይ ክኸይድ ከምዘይተፍቅደለይ ነጊራትኒ፡፡ ናብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ክጽሕፍ ፈቲነ ነይረ፤ ኣይመለሱለይን፤ ግን ደጊመ ክፍትን እየ’’ ክብል ንቢቢሲ ዝተዛረበ ድማ ወዲ 28 ዓመት ኣልጄርያዊ በልሃጅ ሃኒ ኣሚር እዩ፡፡ ‘‘ናብ ዩክረይን ክኸይድ ይደሊ እየ፤ ግን ድማ እቲ ኲናት ቀልጢፉ ክውዳእ ተስፋ ይገብር’’ ይብል፡፡ ኣምባሳደር ዩክረይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሞዛምቢክን ቦትስዋናን ሊውቦቭ ኣብራቪቶቫ፡ ኣብቲ ኲናት ክዋግኡን ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክሰርሑን ዝደልዩ ኣማኢት ዜጋታት ደቡባዊ ኣፍሪቃ ከምዘመልከቱን ካብ መንግስታ ምላሽ ትጽበ ከምዘላን ትገልጽ፡፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ዕሱባት ተሪር ሕጊ እዩ ዘለዋ። ብምኽንያት ክልከላ መንግስታት፡ ኣፍሪቃ ካብቲ ብመንግስቲ ዩክረይን ዝቖመ ዓለም ለኻውያን ወለንተኛታት ዝምስገቡሉ ድህረ ገጽ ተኣልያ ከምዘላ ሰብመዚ ዩክረይን ገሊጾም እዮም፡፡ \"ሩስያውያን ኣሕዋትና\" ኣልጄርያ፣ ሰኔጋልን ደቡብ ኣፍሪቃን ካብ መንጎ እተን ኣብቲ ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝኹንን እማመ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድምጸን ዝዓቀባ 54 ሃገራት እየን፡፡ ምስ ሩስያ ክቃራሓና ኣይደለያን፡፡ ሩስያ በቲ ኣብ ከም ሃገራት ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፓብሊክ፣ ሊብያ ፣ ማሊን ሱዳንን እትገብሮ ወታሃደራዊ ሓገዝ ኣቢላ ኣብታ ኣህጉር ዘለዋ ጸቕጢ ኣሐይላ እያ፡፡ ዋላኳ ቢቢሲ እንተዘየረጋገጾ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፓብሊክ ዝርከቡ ወታሃደራት ምስ ‘‘ሩስያውያን ኣሕዋትና’’ ተሰሊፍና ክንዋጋእ ኢና ኢሎም ቃል እንትኣትዉ ዘርእይ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ይዘውር ነይሩ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ሰርገይ ሾይጉ፡ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ጎኒ ሩስያ ተሰሊፎም ክዋግኡ ዝደልዩ ‘‘ልዕሊ 16 ሽሕ ተዋጋእቲ’’ ፍቓደኛታት ከምዘለዉ ተዛሪቡ፡፡ እዚ ንሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ዝሓውስ ምዃኑ ግን ኣየነጸረን፡፡ ንከም ናይጄርያዊ ደቪድ ኦሳጊ ዝበሉ፡ እቲ ክልከላ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ፡፡ እቲ ወዲ 21 ዓመት መንእሰይ ኣብ ናይ ቀይሕ መስቀል ህይወት ምድሓን ክሰርሕ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብ ዩክረይን ተዋጋኣይ ኮይኑ ክምልመል ኩሉ ሰነዳት ኣጻፊፉ ይጽበ ነይሩ፡፡ ‘‘እቲ ኤምባሲ ንኣፍሪቃውያን ከምዘይወስድ ምስ ሰማዕኩ ቅር ኢሉኒ’’ ይብል፡፡ ልቡ ዘንቀለ እዚ መንእሰይ ግን ካልእ ኣማራጺታት ይደልይ እዩ ዘሎ፡፡ ‘‘ኣብቲ ኣብ ናይጄርያ ዝርከብ ኤምባሲ ፖላንድ፡ ቃለ መሕተት ኣለኒ’’ ኢሉ፡፡ ፕሪንስ ንከም ንዱቼ ካብቶም ኣብ ኤምባሲ ዩክረይን ዝነበሩ ናይጄርያውያን ሓደ ኮይኑ፡ ኣብ ሩስያ ዝተቐመጠን ኣብ ወታሃደራዊ ቤት ትምህርቲ ሩስያ ዝተምሃረን እዩ፡ ኣብ ኤምባሲ ኣመሪካ ስለዝተርኣየ ሰላሊ ተባሂሉ ንቑሩብ እዋን ከምዝተኣሰረን ድሕሪኡ ብዩክረይን ኣቢሉ ከምዝሃደመን ይገልጽ፡፡ ንሱ ናብ ዩክረይን ክወፍር ድልየት እኳ እንተሃለዎ፡ መንግስቲ ስለዘየፍቅድ ግን ነቲ ትእዛዝ ከምዝቕበል ተዛሪቡ፡፡","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60761821"} {"headline":"ናይጀርያ፡ በላዕቲ ሰብ ብዝብል ዝተኸስሱ ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣእትያ","content":"ፖሊስ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ናይጀርያ እትርከብ ግዝኣት ዛማፋራ፡ ኣብ ተግባራት ምብላዕ ስጋ ሰብን ኣካላት ሰባት ኣብ ምሻጥን ከም እተዋፈሩ ዝከሰሶም ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ምእታው ገሊጹ። እቶም ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ዝኣተው መርመርቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዘይተዛዘመ ህንጻ ገለ ኣካላት ዝጎደሎ ኣስከሬን ድሕሪ ምርካቦም ምዃኑ ኮምሽነር ፖሊስ እቲ ዞባ ኣያቡ ኤልካና ብሓሙስ ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ። እቲ መርመራ ሓደ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ቆልዓ ድሕሪ ምጥፍኡ እዩ ተጀሚሩ። እቶም ተጠርጢሮም ዘለው ክልተ ሰብኡትን ክልተ ኮተቴታትትን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተው ዝገለጸ ሚስተር ኤልካና ካልኦት ኣባላት እቲ ጭፍራ ይህደኑ ከም ዘለው ኣረዲኡ። ዛጊት ብዝተኻየደ መርመራ፡ ሓላፊ እቲ ጭፍራ ምዃኑ ዝተነገረሉ ውልቀሰብ ኣብ ክልተ ኣጋጣሚታት ኣካላት ናይ ሰብ ምእንቲ ከምጽኡሉ ነቶም ካልኦት ጥርጡራት 1200 ዶላር ከም ዝኸፈለ ተቓሊዑ ኣሎ። ዛማፋራ ሓንቲ ካብተን ብብዝሒ ቅትለትን ገንዘብ ንምርካብ ጭውያን ዝረኣየለን ግዝኣታት ናይጀርያ ክትኸውን እንከላ፡ ሰብ መዚ ነቲ ጎንጺ መግትኢ ብዘይምግባሮም ይንቀፉ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብታ ቁሸት ኣብ ዝተኻየደ ተደጋጋሚ ሃንደበታዊ መጥቃዕትታት ኣስታት 200 ዝኾኑ ሰባት ከምዝተቐተሉ ጸብጻባት ይገልጹ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59991668"} {"headline":"ቅልውላው ዩክረይን፡ ሩስያ ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ርክብ ከመይ ክተደልድል ክኢላ?","content":"ሩስያ ካብ ቀረባ ዓመታት ንነጀው ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ጽልዋ ክተስፍሖ ተራእያ። ድሕሪ ወራር ዩክሬይን እተን ሓደሽቲ መሓዙታ ዝኾና ሃገራት ኣፍሪቃ ድጋፍ ክህብኣ ወይ ኣብ ከም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝበሉ ትካላት ዘይሻራውያን ክኾና ትጽቢት ትገብር። ካብ ሊብያ ክሳብ ማሊ፣ ሱዳን፣ ማእኸላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪቃ፣ ሞዛምቢክን ካልኦትን ሩስያ ሰፊሕ ተሳትፎ ኣለዋ። መብዛሕትኡ ወተሃደራዊ ኮይኑ ዓመጽቲ ወይ ጅሃዳውያን ዕጡቓት ምውጋእ ዝሓወሰ እዩ። ኬንያ ቐዋሚት ኣባል ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት እኳ እንተዘይኮነት ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዝተወስደ ስጉምቲ ዝምልከት ግን ብግልጺ ተቓዊማ እያ። ነዚ መርገጺ ኬንያ ዝድግፋ ካልኦት ሃገራት ግን ኣይተራእያን። ሕብረት ኣፍሪቃ እቲ ጎንጺ “ከም ዘተሓሳሰቦ” እኳ እንተገለጸ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝሃቦ ነቐፌታ ግን የለን። ኣብ ጉጅለ ብሪክስ መሓዛ ሩስያ ዝኾነት ደቡብ ኣፍሪቃ ሩስያ ሰራዊታ ካብ ዩክሬይን ክተውጽእ ክትሓትት እንከላ እቲ ጸገም ብዘተ ክፍታሕ ሓቲታ። ፕሬዝደንት ማእኸላይ ኣፍሪቃ ሪፐብሊክ ፋውስቲን ኦርቻንግ ቱዋዴራ ሩስያ ንክልላት ዶኔክስን ሉሃንስክን ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃባ ከም ዝድግፍ ተገሊጹ ነይሩ። ብረቡዕ ድማ ኣብ ሱዳን ዓብዪ ስልጣን ዘለዎ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ናብ ሩሲያ ምብጻሕ ገይሩ። እዚ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ጥቡቕ ዝምድና ዘርኢ እዩ። ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወራር ቅድሚ ምፍናዋ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ፈረንሳ ኣብ ማሊ ኣንጻር ጅሃዳውያን ዕጡቓት ትገብሮ ዝነበረት ቓልሲ ከብቅዕ ምግባራ ሓደ ካብ መርኣያ ኣብነታት ምቅይያር ልፍንቲ ሃገራት ኤውሮጰ ኣብ ኣፍሪቃ እዩ። ቐዳማይ ሚኒስትር ማሊ ቾጌል ማይጋ ምስ ፍራንስ 24 ኣብ ዝነበሮ ቃለ መጠይቕ ሃገሩ ምስ ሩስያ ወተሃደራዊ ስምምዓት ከም ዝፈረመት ተዛሪቡ። ግን እቲ ኣዝዩ ኣካታዒ ዝኾነ ናይ ብሕቲ ወተሃደራዊ ኩባኒያ ዋግነር ግሩፕ ኢድ ከም ዘይሓወሰ ግን ተገሊጹ። እቲ ሩስያ ንማሊ እትገብሮ ወተሃደራዊ ሓገዝ ንወተሃደራዊ መንግስቲ ቡርኪናፋሶ ዝሃበቶ ሓገዝ ሓዊሱ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ሩስያ ቀጥታውን ቀጥታዊ ብዘይኮነ ኣገባብን ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ጽልዋ ንምዕባይ ስጉምታት ትወስድ ምህላዋ ዘርኢ እዩ። ሩስያ ምስ ኣፍሪቃ ዝነበራ ርክብ ካብ እተሕድሶ ንድሓር ብ2019 ዓ.ም ኣብ ከተማ ሩስያ ሶቺ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ 43 ፕሬዝደንታትን ዝርከቡዎም መራሕቲ ልኡኻት ልዕሊ 50 ሃገራት ኣፍሪቃ ተሳቲፎም። ፕሬዝደንት ፑቲን ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብ ዘስምዖ ዘረባ ምንቅስቓሳት ናጽነት ናይ ምድጋፍን ታሪኽ ንምሕላውን ከምኡ’ውን ንግድን ኢንቨስትመንትን [ወፍሪ] ንምዕባይ ቃል ኣትዩ። ሩስያ ንብዙሓት መራሕቲ ኣፍሪቃ ግልጺ ዘይኾነ ናይ ጸጥታ ሓለዋ፣ ስልጠና፣ ስለላ፣ ኣጽዋር ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ጎንጺታት ዝሳተፉ ሩስያውያን ብምስዳድ ትፍለጥ። ፑቲን ከም ዝብሎ እቲ ታሪኻዊ ርክብ ቅድሚ ሩስያ ብዝነበረት ሶቭየት ሕብረት ዝጀመረ ስለ ዝኾነ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ኣመሪካን ካብ ሞንጎ ዘለው ናይ ውድድር ቦታታት ኣፍሪቃ ሓንቲ እያ። ብ1991 ሕብረት ሶቭየት ካብ እትፈርስ ጀሚሩ ክሳብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ሩስያ ኣብ ናይ ስግግር እዋን ስለ ዝነበረት ምስ ኣፍሪቃ ዝነበራ ርክብ ቀዳምነት ዝሃበቶ ኣጀንዳ ኣይነበረን። ሓይላ ዳግም ምስ ኣረጋገጸት ግን ፖሊሲ ጉዳይ ወጻኢ ቀዳምነት ዝሃበትሉ ጉዳይ ኮይኑ። ብ2014 ሩሲያ ንክሬሚያ ምስ ጎበጠት ዓለምለኻዊ እገዳታት ክስዕባ እንከሎ ምስ ኣመሪካን ኤውሮጳን ዝነበራ ርክብ እውን ክበላሾ ክኢሉ። እቲ ክገጥማ ዝኽአል ተነጽሎ ብምስጋእ ድማ ሓደሽቲ መሓዙት ክተእልሽ ጀሚራ። ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣፍሪቃ ኣካዳሚ ሳይንስ ሩሲያ ኢሪና ኣብራሞቫ “ብምኽንያት እቶም እገዳታት ሩሲያ ናብ ወጻኢ እትልእኾ ምህርቲ ዝቕበል ዕዳጋ ክትእልሽ ነይሩዋ” ኢላ። ሩስያ ዕዳጋ ጥራይ ኣይኮነትን እትደሊ። እቲ እናወሰኸ ዝመጽአ ዓለምለኻዊ ጽልዋ’ውን ትደልይ እያ። ብ2014፡ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሶርያ ንፕሬዝደንት በሽር ኣልዓሳድ ደጊፋ ክትሳተፍ እንከላ ሃገራት ምዕራብ ዝፈጥርኦ ዘለዋ ቅልውላው ንምጉላሕን ሩስያ ነዚ ከመይ ተዕርዮ ትኽእል ዝብል ንምርኣይን እዩ። ድሕሪኡ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ መጺኣ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ኩዋዙሉ-ናታል ኢሪና ፊላቶቫ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበራ ቑልፊ ተግባር ብልክዕ እቲ ኣብ ሶርያ ዝገበሮ ጽልዋ ምዕራባውያን ምቅላል እዩ ትብል። ንኣብነት ኣውሮጳውያን ኣብ ሳሕል ዝንቀሳቐሱ ጅሃዳውያን ዕጡቓት ክቆጻጸሩዎም ከም ዘይኽኣሉ ክተርእዮም ትደሊ ነይራ። ነዚ ንከተዐውቶ ድማ ክልተ ፖሊሲ ተጠቒማ። እቲ ሓደ ኣብ ገለ ሃገራት ወግዓዊ ወተሃደራዊ ስልጠናታት ምሃብ ኮይኑ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ወግዓዊ ዘይኮኑ ከም ዋግነር ግሩፕ ዝበሉ ትካላት ኣብ ውግኣት ክሳተፉ ብምግባር እዩ። ብ2017 ዋግነት ግሩፕ ዘዋፈሮም ቐተልቲ ዝተርኣየላ ናይ መጀመርታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ድማ ማእከላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪቃ እያ። ብድሕሪኡ ጉጅለ ኣማኸርቲ ሰራዊት ሩስያ ኣትዩ። ዕላምኡ ፕሬዝደንት ቱዋዴራ ኣብ ስልጣን ንክጸንሕ ምሕጋዝ እዩ። እቲ ዕሱባት ብምውፋር ዝፍጸም ቕትለት እናተለመደ እኳ እንተመጽአ ሩሲያ ግን ዋላ ሓደ ዜጋኣ ብኲናት ገበንን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብዝፍጸም መጥቃዕትን ከም ዘይሳተፍ ትገልጽ። እቶም ብሩሲያ ዝዋፈሩ ሰባት ግን ኣብ ሊብያ፣ ሱዳን፣ ሞዛምቢክን ማልን ብዝተፈላለየ ዓቐን ክሳተፉ ጸኒሖም’ዮም። ብኻልእ ወገን ኣፍሪቃ ዋና ዕዳጋ ኣጽዋር ሩስያ እያ። እቲ ናብ ኣፍሪቃ ካብ ዝኣቱ ኣጽዋር ፍርቁ ካብ ሩስያ ከም ዝኾነ ኣጽዋር ዝልእኽ ኤጀንሲ እታ ሃገር ዘውጽኦ መረዳእታ የመልክት። ኣልጄሪያን ግብጽን ድማ ቐንዲ ዓደግቲ ኾይነን፡ ናይጄሪያ፣ ታንዛኒያንን ካሜሩንን’ውን ሓደሽቲ ዓሚል ሩስያ ኮይነን ኣለዋ። ብዓውዲ ዲፕሎማሲ ግን ኣፍሪቃ ካብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ ርብዒ ድምጺ ዘለዋ ኮይና ኣብ ካልኦት ዓለምለኻዊ ጉዳያት ጠንካራ ድምጺ ክትኸውን ትኽእል እያ። ቤት ትምህርቲ ስነ ቑጠባ ሞስኮ ዘሐተሞ ብዛዕባ ምትሕብባር ኣፍሪቃን ሩስያን ዝገልጽ ጸብጻብ 2021 ቅድሚ ሕጂ ተግባራት ሩስያ ዝምልከት ሃገራት ኣፍሪቃ ዘይሻራዊ ዓይነት ዝንባለ ኣርእየን ይብል","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60544678"} {"headline":"ናይጀርያ: ክልተ ዝተባእሱ ደቂ-ሓወቦታት ብዘደንጹ ኩነታት ኢድ ሓድሕዶም ተቖራሪጾም ተባሂሉ","content":"ኣብ ናይጀርያ ክልተ ቤተሰብ ምዃኖም ዝተነግረሎም ደቂ-ተባዕትዮ ድሕሪ ምብኣሶም፡ ኢድ ሓድሕዶም ከምዝተቖራረጹ ፖሊስ ሓቢሮም። እቲ ዘደንጹ ፍጻመ ኣብ ሓንቲ ኣብ ሰሜናዊ-ምብራቕ ዘሎ ዞባ ዮበ እትርከብ ኣልካሊ ዝተባህለት ቁሸት'ዩ ኣጋጢሙ። ኣፈኛ ፖሊስ ናይቲ ዞባ፡ ዱንጉስ ኣብዱልካሪም ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ እቶም ክልተ መንእሰያት ብጎዞሞ ድሕሪ ዘካየድዎ ቃልሲ ሓሓደ ኢዶም ተቖራሪጾም። እቶም ጸጋማይ ኢዶም ዝተቖረጹ መንእሰያት ክልቲኦም ደቂ 25 ዓመት እዮም። ጠንቂ ናይቲ ባእሲ እንታይ ምዃኑ'ኳ ዛጊት እንተዘይተፈልጠ ምስ ሕርሻ ዝተሓሓዝ ጉዳይ ዘንቀሎ ክኸውን ከምዝኽእል ፖሊስ ኣተንቢሆም። ሰብመዚ'ቲ ከባቢ፡ ነቲ ዝተቖርጸ ኣእዳው ናብ ሆስፒታል ከምዝወሰድዎ ተፈሊጡ'ሎ። እቶም ብኸቢድ ዝቖሰሉ ደቂ-ሓወቦታት ኣብ ሓደ ማእከል ጥዕና ጽኑዕ ክንክን ይግበረሎም ከምዘሎ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ሓቢሮም። እቲ ዘገርምን ዘሕዝንን ኩነታት ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ናይጀርያ ስሒቡ'ሎ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59254218"} {"headline":"ናይጀርያ: ሓደ 57 ኣንስቲ ዝተመርዓወ ተኸታሊ ሰይጣናዊ እምነት ኣብ ሞተራ ዝተወልዐ መኪና ተቐቢሩ","content":"ናይጀርያዊ ሲሞን ኦዶ፡ \"ንጉስ ሸይጣን\" ብዝብል ዝፍለጥ ኮይኑ ተኸታሊ ሰይጣናዊ እምነት ኣብ መበል 74 ዓመት ዕድሚኡ ከምዝዓረፈ ወዱ ኡቼና ኦዶ ኣፍሊጡ። ስነ-ስርዓት ቀብሩ'ውን ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ሎሚ ተፈጺሙ'ሎ። ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሞተራ ዝተወልዐ መኪና ኣትዩ ከምዝተቐብረ ጸብጻባት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። ኣብታ ከም ሳንዱቕ ሬሳ ዘገልገለት መኪና፡ ዝፈትዋ ደርፊ ተወሊዓ ምንባራ'ውን ተፈሊጡ። ኡቼና፡ ከቢድ ዝበሃል ሕማም ዘይሓመመ ኣቡኡ ትማሊ ሰሉስ 12 ታሕሳስ 2021 ንጉሆ ከምዝሞተ ኣብ ናይጀርያ ንዝርከብ ቢቢሲ - ኢግቦ ተዛሪቡ። \"ሞይቱ'ሎ\" ክብል ብስልኪ ዝገለጸ ወዱ ኡቼና፡ \"ስርዓተ ቀብሩ ክነፈጽም ንዳሎ ኣለና\" ኢሉ ነይሩ። ሳይመን ኦዶ ኣብ ናይጀርያ ካብ እትርከብ ኣጂ ዝተባሃለት ቁሸት ኮይኑ ኣብቲ ከባቢ ድማ ተፈላጢ ካህን ምንባሩ ይግለጽ። ኣብ 2020 ምስ ቢቢሲ-ኢግቦ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ 57 ኣንስቲ ከምዘለውዎ ብምግላጽ፡ ብዝሒ ደቁን ደቂደቁን ንምፍላጥ ከምዝጽገም ሓቢሩ ነይሩ። ኣምልኾ ሸይጣን ካብ ወለዱን ኣያታቱን ከምዝወረሶ ዝተዛረበ ሳይመን፡ ሰባት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት ክፉእ ነገር ንኽፍጽሙ ሓገዝ ከምዘይገብረሎም ኣረዲኡ። ኣብ ዝነብረሉ ከባቢ ብህላዊ መድሓኒታት ብምቕማም ዕውት ከምዝኾነ'ውን ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59671889"} {"headline":"ናይጀርያ: ስለምንታይ ጽንብል ዕለተ-ልደት ብዓልቲ-ቤት ፕረዚደንት ቁጠዐ ፈጢሩ","content":"ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ንጽንብል ዕለተ-ልደት ቀዳመይቲ እመቤት ናይጀርያ ዘርኢ ቪድዮ ንብዙሓት ናይጀርያውያን ኣቖጢዑ። እቲ ቪድዮ፡ ሓያሎ ባህላዊ ክዳን ዝለበሳ ደቂ-ኣንስትዮ ናብ ዱባይ ብምኻድ ንወይዘሮ ዓይሻ ቡሃሪ ርሑስ ዕለተ-ልደት ክብላ ዘርኢ'ዩ። ጓል 51 ዓመት ብዓልቲ ቤት ፕረዚደንት መሃማዱ ቡሃሪ ዕለተ-ልደታ 17 ለካቲት እዩ። እቲ ቪድዮ መዓስ ከም ዝተሳእለ ግን ብንጹር ኣይተፈልጠን። እተን ደቂ-ኣንስትዮ ሓደ ዓቢ ሳንዱቕን ዕንባባን ሒዘን ዝራኣያ ደቂ-ኣንስትዮ ኣንስቲ ኣመሓደርቲ ዞባታት ናይጀርያ ምዃነን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን። ገለ ናይጀርያውያን፡ እተን ኣንስቲ ሰበ ስልጣን መን ከፊሉለን ናብ ዱባይ ክኸዳ ከም ዝኽኣላ ክፈልጡ ከም ዝደልዩ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክገልጹ ተሰሚዖም። \"ክንደይ ካብአን'የን ብናተን ገንዘብ ናብ ዱባይ ክኸዳ ዝኽእላ?\" ክብል ሓደ ሰብ ኣብ ትዊተር ሓቲቱ። \"ኣብ ናይጀርያ ተራ ሰብ ነዳዲ ስኢኑ፡ ዜጋታት እናተሳቐዩ እንከለዉ ዓይሻን ብዓል-ቤታን ግን ሂወት ካብ ናይጀርያ ወጻኢ የስተማቕሩ ኣለዉ\" ክብል ጃክሰን ኡደ ዝተባህለ ጋዜጠኛ ነቒፉ። እቲ ቪድዮ ፕረዚደንት ቡሃሪ ኣብቲ ጽንብል ምንባሩ ኣየርእን'ዩ። ቢቢሲ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ሓበሬታ ንምርካብ ንሰብ መዚ ናይጀርያ ተወኪስዎም'ኳ እንተነበረ መልሲ ኣይሃቡን። እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ እቲ ምሉእ ጥዕና ከምዘይብሉ ዝንገረሉ ፕረዚደንት ሙሃማዱ ቡሃሪ ንሕክምና ናብ ለንደን ክኸይድ ምዃኑ ጸብጻባት ሓቢሮም። ቅድሚ ሕጂ'ውን ብተደጋጋሚ ንሕክምና ናብ ወጻኢ ሃገራት ምኻዱ ክንቀፍ ጸኒሑ'ዩ። ንነዊሕ እዋን ንሕክምና ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገር ስልጣን ንምክትሉ ዘይምርካቡ'ውን ካብ ነቐፌታ ዓዲ ኣይወዓለን። ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ከም ዝብልዎ ስርዓተ-ጥዕና እታ ሃገር ብሰንኪ ጉድለት ምሕደራ ኣብ ዘንቆልቁለሉ ዘሎ እዋን እቲ ፕረዚደንት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ሕክምናዊ ክንክን ምርካቡ ርትዓዊ ኣይኮነን ክብሉ ይነቕፉ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60595435"} {"headline":"ናይጄሪያ፡ ፕሬዝደንት ይቕሬታ ክሓትት ዝገበረ ምጥፋእ መብራህቲ","content":"ናይጄሪያዊት ጸሓፊት ኣዶቢ ትሪሳ ዋባኒ ኣብ ሃገራ ብዛዕባ ዘሎ ምቁራጽ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክን ብኸመይ ከም ዘዘናግዓን ብኸምዚ ዝስዕብ ተዘንቱ። ብዙሓት ናብ ሃገራት ወጻጺ ከይዶም ዘይፈልጡ ናይጄሪያውያን ቈልዑ፡ ብዛዕባ ሃገራት ምዕራብ ብዝሰምዑዎም ዛንታታት ኣዝዮም ይድንቑ። ብፍላይ፡ ሰሙን ሙሉእ ካብ ንጉሆ ክሳብ ምሸት መብራህቲ ጠፊኡ ከም ዘይፈልጥ ክሰምዑ እንከለው ኣዝዩ ይገርሞም። ብምግራም ከኣ \"አሀሀሀ?\" ክብሉ ብተደጋጋሚ ሰሚዐ ኣለኹ። ኣብኡ፡ መግቢ ከተብስል ናብ ክሽነ ከይድኻ ኣቑሑ ክትቐራርብ እንከለኻ ወይ ከመይ ዝበለ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ እናርኣኻ እሞ ሸቶ ክቑጽር ኣብ ዝተሃንጠኻሉ: ሃንደበት መብራህቲ ኣይቋረጽን። ብዛዕባ ውርጪ፣ ናይ ትሕቲ ባይታ ባቡር ኮነ ብዛዕባ በዓል ክልተ ደርቢ ኣውቶብሳት ዝኣመሰሉ ዝንገሩ ዛንታታት ክንዲ እቲ ናይ ቀጻሊ ቀረብ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኣየደንቖምን። ዘየቋርጽ ቀረብ ሓይሊ ኤለክትሪክ ሓደ ካብ መሰረታውያን ነገራት ናይ ዘመናዊ ኣገባብ ናብራ እኳ እንተኾነ፡ ንፍትውቲ ሃገርና ንዓሰርተታት ዓመታት ብድሆ ኮይንዋ ዘሎ እዩ። ኣነ ክሳዕ ዝዝከረኒ፡ ኣብዚ እዋን ናይጄርያ እቲ ዝኸበደ ብድሆ ምቁርራጽ ኤለክትሪክ ገጢምዋ ኣሎ። እዝክር፤ ኣብ 1980ታት ኣብ እዋን ቁልዕነተይ ኣብ ደቡብ ምብራቕ ናይጄሪያ ከተማ ኡማሂ ኣብ ዝርከብ ገዛና ምሸት ምስ ስድራይ ኰፍ ክንብል እንከለና፡ እንትርፎ ኣብ ክቢ ጠረጴዛና ከፍ ዝበለት ኩራዝ ዝተረፈ ጸልማት እዩ። ቴሌቪዥን ጠፊኡ፤ ብሙሉኡ መንደር ግስም ምስ በለ፤ ሽዑ ኩሉ ሰብ ነቲ ጸልማት ዝሰግረሉ መገዲታት ክጣበብ ይጅምር። ኣብ ገዛና፡ ወትሩ ወለደይ ጽውጽዋይ ወይ ከኣ ናይጀርያ ኣብ ትሕት መግዛእቲ ናይ ዝነበረትሉ እዋን ዛንታታት'ዮም ዝነግሩና፤ መብዛሕትኦም ብደርፊ ዝስነዩ እዮም። ወለድና ኣብ እዋን ቁልዕነቶም ብዛዕባ ዘሕለፍዎ ኮይኑ፡ ዝበዝሕ ህዝቢ ናይ ኤለክትሪክ መብራህቲ ኣይነበሮን። ኡሙጂዝ ትውልዲ ዓዲ ወለደይ እያ፤ ክሳብ መወዳእታ 1970ታት ኣገልግሎት መብራህቲ ኣይነበራን። ኣብቲ ሽዑ እዋን ሓላፊ ኩባኒያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይጄሪያ- ኔፓ: ዝነበረ መሓዝኡ እቲ ከባቢ ኤሌክትሪክ ንክረክብ ሓያል ጽልዋ ከም ዝገበረ ኣቦይ ክዛረብ ይሰምዖ። ኣብ መንጎ እቶም ኣቦይ ዛንታታት ዝነግረና ዝነበረ እዋንን ሎምን ግና ዓቢይ ፍልልይ ኣሎ። ኣብቲ ሽዑ እዋን መብራህቲ ተመሊሳ ክሳብ እትመጽእ፤ ምናልባት ንሓደ፣ ክልተ ወይ ሰለስተ ሰዓት ትጽበ። ምናልባት ኣብቲ ናይ ወረዳ ትራንስፎርመር ከቢድ ጸገም እንተዘይተፈጢሩ፡ ንመዓልትታት ይትረፍ ንሰዓታት'ውን መብራህቲ ሳሕቲ እዩ ዝጠፍእ ነይሩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ግና፡ ናይጀርያውያን፡ መንግስቲ ንመላእ እታ ሃገር እኹል ኤለክትሪክ ከቕርብ ከምዘይኽእል ክግንዘቡ ጀሚሮም ኣለው። እቲ ብኣሕጽሮተ ቃል ኔፓ ዝፍለጥ በዓል መዚ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይጄሪያ \"Never Expect Power Always\" ማለት'ውን \"ወትሩ ኤሌክትሪክ ፈጺምኩም ከይትጽበዩ\" እናተባህለ ይቕለደሉ። መንግስቲ ሽም እቲ በዓል መዚ፡ 'ፓወር ሆልዲን ካምፓኒ ኦፍ ናይጀርያ' ኢሉ ምስ ቀየሮ ድማ እቲ ቀልዲ \"Problem Has Changed Name\" ማለት'ውን \"ጸገም ሽሙ ቐይሩ\" ወይ \"በጃኹም፡ ሕጂ ሽምዓ ሓዙ\" ናብ ዝብል ተቐይሩ። በዚ ምኽንያት፡ ብዙሓት ብምጥፋእ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝተሸገሩ ናይጄውያን መንግስቲ ዘይክኣሎ ጸገም ንክፈትሑ ናይ ባዕሎም መገዲታት ይጥቀሙ። ገሊኦም፡ ኣብ ድሕሪ ገዝኦም ማይ ንምርካብ ዝሕግዞም ጎዳጉዲ ይኹዕቱ። ፎቖድኡ ዘለው ብዝተኹዓዓቱ መገዲታት ዝተጸገሙ ሰባት ድማ፡ ኣጸጋሚ መልክኣ ምድሪ ክጻወራ ዝኽእላ ናይ ስፖርት መካይን ይገዝኡ፤ ወይ ክኣ ዝሓልፍሉ መገዲ ንምምችቻዉ ቡልዶዞር ተኻርዮም መገዲ ይጸርጉ። ካልኦት ድማ፡ ውሕስና ናብ ዘይብለን ዞባታት ክጉዓዙ እንከለው ርስቶምን ከባቢኦምን ዝሕልውሎም ናይ ውልቂ ኣካላት ጸጥታ ይቖጽሩ። ንመንበሪ ገዝኦም ኮነ ንቤት ጽሕፈቶም ዝኸውን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንከይስእኑ ድማ ዓቕሞም ዘፍቀዶ ጀኔሬተራት ይገዝኡ። እዚአን ብሕሳር ዋጋ ካብ ቻይና ዝመጽኣ ኮይነን፤ ድምጸንን ዘውጽእኦ ትክን ኣዝዩ'ዩ ዝርብሽ። ኣገልግሎት ክህባኻ ነዳዲ ክትገዝኣለን ስለ ዘለካ፡ ብሱሩ'ውን ንተወሳኺ ወጻኢ ዘቃልዓ እየን። ሃፍታማት ድማ፡ ድምጺ እዘን ጀነሬተራት ክሳብ ክንደይ ይርብሸኻ ብዘየገድስ፡ ገንዘብ ስለ ዘለዎም ዝጠፍኣሉ ሰዓታት ኣዝዩ ውሑድ እዩ። እቲ ሕጂ ኣብ ከተማታት ሌጎስን ኣቡጃን ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ዓበይቲ ከተማታት ናይጄሪያ ዘጋጠመ ምጥፋእ ኣገልግሎት መብራህቲ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ሕጽረት ነዳዲ ተወሲኹዎ እተን ከተማታት ንመዓልታት ብጸልማት ተዋሒጠን ኣለዋ። ፕሬዝደንት ሙሓማዱ ቡሃሪ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን \"በቲ ዝተፈጥረ ጸገም ኣዝየ ይሓዝን\" ኢሉ ነይሩ። ነቲ ዘጋጠመ ሕጽረት ነዳዲ ንነጋዶ ክነቅፍ እንከሎ፡ ንምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ድማ ቴክኒካዊ ጸገም ክብል'ዩ ገሊጹዎ። እዚኦም ኣብ ቀረባ ከም ዝፍትሑ ድማ ተመጻቢዑ ነይሩ። እንተኾነ፡ ብዙሓት ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ኤሌክትሪክ ዝህባ ማሽናት ባትሪ ወዲአን ጠጠው ኢለን፤ ብዙሓት ክኣ ጀነሬተር ኣለዎም፤ ግን ነዳዲ ክረኽቡ ኣይክአላኡን። ዋላ'ውን ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ናይ ጸገም ጊዜያት ዋጋ ወሲኾም ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዝሸጡ ሰባት ነዳዲ የብሎምን። እቶም ብዝኾነ ዋጋ ነዳዲ ክዕድጉ ዝኽእሉ ሃፋትም'ውን እዚ ናይ ጸልማት መዓልታት ክሰግሩወን ኣይክኣሉን። ሕጂ ግን፡ ከምቲ ናይ ቀደም መብራህቲ ክትጠፍእ እንከላ ጽውጽዋያት ንምውጋዕ ድልየት ዘለዎ ዘሎ ኣይመስለንን።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60898160"} {"headline":"ናይጀርያ፡ ኣሽሓት ኣባላት ዕጡቕ ጂሃዳዊ ጉጅለ ቦኮ-ሓራም ንሰራዊት መንግስቲ ኢዶም ሂቦም","content":"ኣብ ናይጀርያ ኣስታት 6000 ኣባላት ናይቲ ጂሃዳዊ ጉጅለ ቦኮሓራም ኢዶም ከምዝሃቡ ሰራዊት'ታ ሃገር ኣፍሊጡ። እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ኢዶም ዝሃቡ ኣዘዝቲ፡ ተራ ተዋጋእቲን ቤተሰቦምን ዝርከብዎም ምዃኖም እቲ ሓበሬታ ገሊጹ። ጎረቤት ሃገር ካሜሩን'ውን ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣባላት ናይቲ ቀጻሊ መጥቃዕትታት ብምፍጻም ኣብቲ ዞባ ከቢድ ጸጥታዊ ጸገም ዝፈጠረ ጉጅለ ኢዶም ከምዝሃቡ ገሊጻ ነይራ'ያ። መራሒ ናይቲ ጉጅለ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ምቕታሉን ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ልዕሊኦም ዘካይድዎ ዘለዉ ስርሒታትን ኢዶም ንምሃብ ኣገዲድዎም ክኸውን ከምዝኽእል ሰብመዚ ተዛሪቦም። ድሕሪ ሞት ኣቡባካር ሻኩ፡ ዝበዝሑ ኣባላት እቲ ጉጅለ፡ ወይ ኢዶም ሂቦም ወይ ድማ ናብቲ ተቐናቓኒኦም ዝነበረ ካልእ ጂሃዳዊ ጉጅለ ዳዕሽ ምዕራብ ኣፍሪቃ ከምዝተጸምበሩ ይግለጽ። እቶም ኢዶም ዝሃቡ ዕጡቓት፡ ናብ ሕብረተሰብ ቅድሚ ምጽንባሮም፡ ካብ ሕሉፍ ኣተሓሳስባ ከናግፎም ዝኽእል ተሓድሶ ክወስዱ ከምዝጀመሩ ሰብመዚ ሓቢሮም ኣለዉ። ይኹን እምበር፡ ገለ ናይጀርያውን፡ እቶም ዕጡቓት ናብ ሕብረተሰብ ምጽንባሮም ሓደጋ ከምዘለዎ ስግኣቶም ይገልጹ። ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ከምዝብሎ፡ እቲ ጉጅለ ኣብ 2009 ኣትሒዙ ኣብ ናይጀርያን ሓያሎ ካልኦት ሃገራት ናይቲ ዞባን ኣብ ዘካየዶም መጥቃዕትታት ልዕሊ 300,000 ሰባት ከምዝተቐትሉን፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ካልኦት ካብ መንበሪኦም ከምዝተፈናቐሉን ይፍለጥ። ጉጅለ ቦኮሓራም ኣብ ሰሜናዊ-ምብራቕ ናይጀርያን ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ዞባታት ካልኦት ሃገራትን ዝንቀሳቐስ ኮይኑ፡ ቀጻሊ ጭውያታት ክፍጽም ምጽንሑ ይዝከር።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58439487"} {"headline":"ኣብ ኣፍሪቃ ፍሉጥ ዝነበረ መራሒ ሃይማኖት፡ ቲቢ ጆሽዋ መን እዩ?","content":"ፍሉጥ ናይጀርያዊ ሰባኺ ቴምቲዮፔ ባሎጎን ጆሽዋ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዩ ኣሎ። እቲ ኪንዮ ናይጀርያ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ፍሉጥ ናይ ወንጌላውያን ሃይማኖት ሰባኺ፡ ቀዳም ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ኣካዪዱ ድሕሪ ምፍጻሙ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ምዕራፉ ተገሊጹ። ሞት እቲ ሰባኺ ኣብ ናቱ ገጽ ፌስቡክ \"ኣምላኽ ንኣገልጋሊኡ ቲቢ ጆሽዋ ናብ ቤቱ ወሲድዎ\" ብዝብል ሓጺር መልእኽቲ እዩ ንዓለም ተነጊሩ። ቴምቲዮፔ ባሎጎን ጆሽዋ ወይ ቲቢ ጆሽዋ ብዝብል ዝጽዋዕ እቲ ሰባኺ ብዙሕ ተኣምራት ከም ዝገበረ ይዛረብ። ካብ ንዓይነስውራን ክርእዩ ምግባር ክሳብ ካብ ኤችኣይቪ ምፍዋስ ዝኣክል ተኣምራት ከም ዝገብር ይንገረሉ። ቲቢ ጆሽዋ ኣዝዩ ሃብታምን ብዙሕ ጽልዋ ዝነበሮን ኮይኑ ኣብ 57 ዓመቱ እዩ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። መጽሔት ፎርብስ ኣብ 2011 ኣብ ዘውጽኦ ሕታሙ፡ መጠን ሃብቲ ጆሽዋ ካብ 10 ክሳዕ 15 ሚልዮን ዶላር ዝበጽሕ ግምቱ ኣስፊሩ። 'ነብይ' ጆሽዋ ኣብ 1963 እዩ ተወሊዱ። ትሑት መነባብሮ ካብ ዝነበሮም ስድራ ዝተወለደ ጆሽዋ፡ ቅድሚ ምውላዱ ኣብ ማህጸን ወላዲቱ ን15 ኣዋርሕ ምጽንሑ ይዛረብ። ጆሽዋ ራእይ ድሕሪ ምርኣዩ ነቲ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ከም ዝጀመሮ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ኣብ ስብከታቱ ክገልጽ እንከሎ፡ 'ሲኖጎግ ቸርች ኦፍ ኦል ኔሽንስ' ዝተሰመየ ዓቢይ ቤተ ክርስትያን መስሪቱ። ኣብታ ኣብ ናይጀርያ ዝዓበየት ከተማ ዝኾነት ሌጎስ ዝርከብ ቤተ ክርስትያኑ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብቲ ሰሙናዊ መደባት እታ ቤተክርስትያን ይሳተፉ። 'ተኣምራት' ንምርኣይን ንኻልእ መንፈሳዊ ኣገልግሎታትን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብኡ ዝውሕዙ'ውን ብዙሓት እዮም። ጆሽዋ ሰባት ካብቲ ሓደገኛ ሕማም ኢቦላ ክፍውስ ዝኽእል ማይ ናብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ምልኣኹ ተነጊሩ ነይሩ። ጆሽዋ ነቲ ፍሉይ ማይ፡ ተጠቀምቲ \"ምሕረት ክረኽቡ፡ ክባረኹ፡ ዕውታት ክኾኑን ክብልጽጉን ከም ዘኽእል\" ይዛረብ ነይሩ። ነቲ 'ፍሉይ ማይ' ንምርካብ ብዝግበር ምጽቕቓጥ ህይወቶም ዝሰኣኑ'ውን ነይሮም። ኣብ 2013 ኣብ ርእሰ ከተማ ጋና ኣክራ፡ ነቲ ማይ ንምርካብ ብዝተፈጥረ ምጽቕቓጥ ኣርባዕተ ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ እዩ። ቲቢ ጆሽዋ ብዝህቦ ትንቢት ኣብ ሰዓብቱ ልዑል ተፈላጥነት ኣትሪፉ እዩ። ብደረጃ ዓለም ኣዘራረብቲ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ርእይቶኡ ብምሃብ ድማ ፍሉጥ እዩ። ሞት ፍሉጥ ኣመሪካዊ ድምጻዊ ማይክል ጃክሰን ከምኡ'ውን ኩነታት ናይታ ኣበይ ከም ዝኣተወት ከይተፈለጠ ንነዊሕ ግዘ ዝጸንሐት ነፋሪት ማሌዥያ ኣመልኪቱ ጆሽዋ ኣቐዲሙ ተነቢዩ ምንባሩ ይንገረሉ። ንማይክል ጃክሰን ኣመልኪቱ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ \"ኣብ ዝተዋፈረሉ ዓውዲ ተፈላጥነት ዝረኸበ እዩ። ኣብ ኩሉ ስፍራ ፍሉጥ እዩ። ኣዝዩ ፍሉጥ። ኣብ ልዕሊ እዚ ኮኾብ ዝኾነ ሰብ ገለ ነገር ከጋጥም ከም ዝጅምር ይረኣየኒ። እዚ ድማ ንድሕሪት መምለሲ ናብ ዘይብሉ መገዲ ከምርሕ ይረኣየኒ። እዚ መኣስ ከም ዝኸውን ኣይፈልጥን\" ኢሉ ነይሩ። ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሞት ማይክል ጃክሰን ምስ ተሰምዐ፡ ቲቢ ጆሽዋ እቲ ዝተዛረቦ ብዛዕባ ማይክል ጃክሰን ምንባሩ ሓቢሩ። ነቐፍቲ ቲቢ ጆሽዋ ግና እቶም ትንቢታት ንጹራት ከም ዘይኮኑን፡ ንዝደለኻዮ ዕላማ ብቐሊሉ ክትጥቀመሉ ከም እትኽእል ተጌሮም ዝንገሩ እዮም ይብሉ። ቲቢ ጆሽዋ ዝመስረቶ ቤተ ክርስትያን፡ ብዙሓት ተዓዘብቲ ዘለዎ 'ኢማኑኤል ቲቪ' ዝተሰመየ መደበር ቴለቪዥን ኣለዎ። ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ተኸታተልቲ ዘለዎ ናይ ዩትዩብ ቻነልን ናይ ፌስቡክ ገጽን'ውን ኣለዎ። ነዚኦም ሜላታት መራኸቢ ብምጥቃም፡ ቲቢ ጆሽዋ ስብከታቱ፡ ዝገብሮም ተኣምራታትን ምስክርነታትን የመሓላልፍ። በዚ ድማ መራሕቲ ሃገራት ነበርን ፍሉጣት ፖለቲከኛታትን ዝርከብዎም ብዙሓት ሰዓብቲ ከጥርይ ክኢሉ እዩ። ደቡብ ኣፍሪቃዊ ፖለቲከኛ ጁልየስ ማሌማ፡ ፕረዚደንት ማላዊ ነበር ጀይስ ባንዳን ፕረዚደንት ጋና ዝነበረ ጆን ኣታ ሚልስን ኣብ ናይ ቲቢ ጆሽዋ ቤተ ክርስትያን ካብ ዝተረኽቡ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት እዮም። ሰዓብቱ ብነቢይ ዝጽውዕዎ ቲቢ ጆሽዋ፡ ብንጥፈታት ግብረ ሰናይ'ውን ተፈላጥነት ኣጥርዩ እዩ። በቲ ዝገብሮ ናይ ረድኤት ስራሓት ካብ ዝቐደመ ፕረዚደንት ናይጀርያ፡ ዝለዓለ ሽልማት እታ ሃገር ምዃኑ ዝተገለጸ 'ሽልማት ፌደራል ሪፓብሊክ' ተዋሂቡ እዩ። ካብ መንጎ ፕሮጀክትታት ግብረ ሰናይ ቲቢ ጆሽዋ 'ማይ ፒፕል ኤፍሲ' ዝተሰምየ ኣካዳሚ ኩዕሶ እግሪ ሓደ እዩ። እቲ ኣካዳሚ ኣብ መድረኻት ኣውሮጳ ዝሳተፉ ናይጀርያውያን ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ከፍርይ ክኢሉ እዩ። ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ትካል ዩትዩብ፡ ቲቢ ጆሽዋ ምስ ዘረባ ጽልኣት ብዝተኣሳሰር ቅረታ ቀሪብሉ ብምባል ነቲ ናይ ዩትዩብ ቻነሉ ክእግዶ እንከሎ፤ ፌስቡክ ብወገን ንሓደ ቪድዮ ካብ ገጽ እቲ ሰባኺ ደምሲሱ። ነቲ ቅረታ ዘቕረበ ሓደ ማሕበር ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ፡ ጆሽዋ ኣብ ሸውዓተ ኣብ ዩትዩብ ዝተዘርግሐ ቪድዮታት ንኣፍቀርቲ ተመሳሳሊ ጾታ ናይ ፈውሲ ጸሎት ምግባሩ ይገልጽ። ፌስቡክ ብወገኑ ንቪድዮ እቲ ሰባኺ ዝኣለየሉ ምኽንያት ከብርህ ከሎ፡ ቲቢ ጆሽዋ ኣብቲ ቪድዮ \"ርኹስ መንፈስ\" ንምውጻእ ብዝብል ንሓንቲ ሰበይቲ ክጸፍዓ ከም ዘርእይ ሓቢሩ። ጆሽዋ ብወገኑ ንውሳነ ዩትዩብ ብምቅዋም ቅረትኡ ኣስሚዑ። ንሱ ብመገዲ ናይ ፌስ ቡክ ገጹ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ \"ምስ ዩትዩብ ንነዊሕ ዝጸንሐ ጽቡቕ ዝምድና እዩ ነይሩና። ሕጂ'ውን ሓሊፉ ዘሎ ውሳነ ብታሕዋኽ እዩ\" ይብል። ካብቶም ቅረታ ዝቐረበሎም ቪድዮታት እቲ ሓደ ኣብ 2018 ዝተጽዓነ ኮይኑ፡ ቲቢ ጆሽዋ ንሓንቲ ስማ ዘይተጠቐሰት ሰበይቲ 16 ግዜ ክጸፍዓን \"ዝርብሸኪ መንፈስ ኣብ ውሽጥኺ ኣትዩ ኣሎ። ናይ ሰበይቲ መንፈስ እዩ\" ክብላ ይስማዕ። ኣብቲ እቲ ገጽ ቅድሚ ምዕጻው 1.5 ሚልዮን ግዜ ዝተራእየ ቪድዮ፡ እታ ሰበይቲ ጸኒሓ ኣብ ቅድሚ እቲ ጉባኤ \"ናይ ሰበይቲ መንፈስ\" ህይወታ ከም ዘበላሸዎን እቲ ሰባኺ ምስ ጸለየላ ከም ዝተፈወሰትን ክትዛረብ የርእይ። ንሳ ወሲኻ ንደቂ ኣንስትዮ ዝነበራ \"ፍትወት\" ከም ዝጠፍአን \"ሕጂ ናይ ሰብኡት ፍትወት ከም ዝሓደራን\" ትዛረብ። እቲ ናይ ዩትዩብ ቻነል 1.8 ሚልዮን ተኸታተልቲ ነይርዎ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57396154"} {"headline":"ናይጀርያ፡ ዕጡቓት ኣስታት 240 እሱራት ኣህዲሞም","content":"ኣብ ናይጀርያ ዞባ ኮጊ፡ ብሰንበት መንነቶም ዘይተፈለጠ ዕጡቓት ንሓደ ቤት ማእሰርቲ ብምጥቃዕ ኣስታት 240 እሱራት ከምዘህደሙ ሰብ መዚ እቲ ዞባ ገሊጾም። ኣብታ ብብዙሕ ጉድለት ናይ ጸጥታ ትሕመስ ዘላ ናይጀርያ፡ እሱራት ብጅምላ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክሃድሙ ኣብዚ ዓመት ንኻልኣይ ግዜ'ዩ ዘጋጥም ዘሎ። እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ መንነቶም ዘይተፈለጡ እሱራት፡ ንቀጽሪ እቲ ቤት ማእሰርቲ ብነታጒ ብምፍንጃር ነቲ ናይ መህዳም ስርሒት ከምዝፈጸምዎ ሮይተርስ ሓቢሩ። ክፍሊ ኣገልገሎት ተሃድሶ ናይጀርያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ዕጡቓት ምሉእ ኣጽዋር ዓጢቖም ከምዝነበሩን ምስቶም ሓለውቲ እቲ ቤት ማእሰርቲ ቶኵሲ ከምዝተለዋወጡን ሓቢሩ። ናይ ዓይኒ መሰኻክር ከብቶም ሓለውቲ እቲ ቤት ማእሰርቲ ክልተ ከምዘተቐተሉ ክገልጹ እንከለዉ እዚ ግን ብሰብ መዚ ናይጀርያ ኣይተረጋገጸን። ክንደይ እሱራት ከምዝሃደሙን፡ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ውልቀሰባት ወይ ጉጅለ ንምልላይን መርመራ ይካይድ ምህላዉ ሰብ መዚ ናይጀርያ ገሊጾም። ኣብ ወሰን ጽርግያ ንከተማታት ካባን ሎኮጃን ዘራኽብ መስመር ዝተደኮነ ቤት ማእሰርቲ 294 እሱራት ከምዝነበሩን መብዛሕትኦም ካብቶም እሱራት ናይ ፍርዲ መስርሕ ዝጽበዩ ምንባሮምን'ውን ተሓቢሩ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ኣብ ናይጀርያ ዝንቀሳቐሱ ቦኮ ሓራም ዝብሃሉ እስላማውያን ዑጡቓት፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ብምውራር ብዙሓት እሱራት ነጻ ከውጽኡ ተራእዮም እዮም። እቶም ኣብ ካባ ተኣሲሮም ዝነበሩ እሱራት ኸኣ መብዛሕትኦም ምስ ቦኮ ሓራም ርክብ ኣለዎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ እዮም። እንተኾነ ሰብ መዚ ናይጀርያ ነቲ እሱራት ናይ ምህዳም ስርሒት ብበኮ ሓራም ከምዝተፈጸመ መረጋገጺ ከምዘይረኸቡ'ዮም ዝሕበሩ። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ'ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ ኣብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ኦውሪ 1800 እሱራት ብዕጡቓት ነጻ ከምዝወጽኡ ይዝከር።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58554799"} {"headline":"ዶክተር ንምዃን እትሓልም ጓል ሽዱሽተ ዓመት ናይጄሪያዊት 'ዲጄ'","content":"ዲጄ ኣይሪሽ ብዝብል መጸውዒ ዝያዳ እትፍለጥ ጓል ሽዱሽተ ዓመት ናይጄሪያዊት ኪንግ ቺካምሶ፡ እቲ ሙዚቃ ናይ ምጽዋት ሞያኣ እናቐጸለቶ፡ ሕክምና ክተጽንዕ ከም እትደልይ ተዛሪባ። ንሳ ምስ ቢቢሲ ቋንቋ ኢግቦ ኣብ ዝገበረቶ ዕላል፡ ንኽልቲኡ ብምምዝዛን ክትሰርሕ ከም እትብህግ ገሊጻ። \"ሰባት ምስ ሓመሙ ከሕውዮም ምእንቲ፡ ሓኪም ክኸውን እደልይ። ቀሊል ኣይኸውንን ግና ዶክተር ክኸውን እየ ነዚ ናይ ዲጄ ሞያይ ድማ ክቕጽሎ እየ\" ኢላ። ንሳ እቲ ሙዚቃ ናይ ምጽዋት ዝንባለ ዝሓደራ ጓል ሓሙሽተ ዓመት እንከላ እዩ፤ ንኣቡኣ ድማ እቲ መሳርሒታት ክዕድገላ ሓቲታ። ከመይ ጌራ ከተጻውት ከም እትኽእል ሓደ ሰብ ምስ መሃራ፡ ሕጂ ብዘይ ዝኾነ ጸገም ተጻውት ኣላ። \"ኣብ ቤት ትምህርቲ መሓዙተይ፡ ንፍዕቲ ዲጄ ምዃነይን ሰባት ጽቡቕ ከም ዘዘናግዕን ከም ዘሕጉስን ይነግሩኒ እዮም\" ትብል። ወላዲታ ኣዳኦቢ ኪንግ፡ እቲ ናይ ዲጄ ስርሓ ኣብ ትምህርታ ዝኾነ ጽልዋ ከም ዘይብሉ ብምግላጽ ኣድላዪ ሓገዝ ከም እትገብረላ ተዛሪባ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57326658"} {"headline":"ናይጄሪያ፡ ወተሃደራዊት ነፋሪት ኣብ ጥቃ ቀላይ ጫድ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ደብዳብ ኣካይዳ","content":"ወተሃደራዊት ነፋሪት ናይጄሪያ፡ ኣብቲ ናይጄሪያ ምስ ሰለስተ ሃገራት [ጫድ፣ ካሜሮንን ኒጀርን] ዘዳውብ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እታ ሃገር ዝርከብ ቀላይ ጫድ ጅሃዳውያን ዕጡቓት ንምቕታል ብዘካደቶ ደብዳብ ነፈርቲ ብርክት ዝበሉ ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም ተባሂሉ። እቲ ብሰንበት ሰላማውያን ሰባት ዝሞትሉ ቦታ ክዋንታን ዳባን ማሳራ ዝብሃል ኮይኑ፡ ቁጽሪ ምውታትን ዝሰዓብ ዕንወትን ብወግዒ ኣይተሓበረን ዘሎ። ቅድሚ ሰሙን'ውን ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጄሪያ ናብ እስላማውያን ዕጡቃት ዝተሓስበ ደብዳብ ወተሃደራዊት ነፋሪት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ሞት ከም ዘስዓበ ዝዝከር እዩ። ኣብቲ ብሰንበት ዝተኻየደ ደብዳብ፡ ብሰንኪ እቲ ደብዳብ ናይ ነፋሪት ክንደይ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝሞቱ ገና ኣይተሓበረን ዘሎ። እቶም ሰላማውያን ሰባት ምስቲ ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ እስላዊት ሃገር ንምምስራት ዝቃለስ ኢስዋኦፕ [Islamic State West Africa Province (Iswap)] ዝብሃል ጉጅል ርክብ ኣለዎም ድዩ ዘይብሎምን'ውን መንግስቲ ናይጄሪያ ዝሃቦ ሓበሬታ የለን። ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ብውሕዱ 20 ገፈፍቲ ዓሳ በቲ ደብዳብ ነፋሪት ከም ዝተቐተሉ ገሊጹ። ሮይተርስ ብወገኑ፡ ንሓደ ነባሪ እቲ ከባብን ንሓደ በቲ ደብዳብ ዝተሃረመን ሰብ ብምጥቃስ፡ በቲ ደብዳብ ነፋሪት ብውሕዱ 50 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐተሉ ኣቃሊሑ። ጸብጻብ ስለያ ናይጄሪያ\"በቲ ደብዳብ ሓደ ገፋፊ ዓሳ ተቐቲሉ ሽዱሽተ ኸኣ ቖሲሎም\" ዝብል ጽሑፍ ከም ዝርከቦ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ። ሓይሊ ኣየር ናይጀርያ ብዛዕባ እቲ ደብዳብ ኣመልኪቱ ወግዓዊ መግለጺ ከውጽእ ትጽቢት ይግበር። ኣብ ከባቢ ቀላይ ጫድ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጉጅለ ኢስዋፕ ሰባት ኣብቲ ቀላይ ገንዘብ እናኸፈሉ ዓሳ ክገፉ ፈቒዱ ይርከብ። መንግስቲ ግን እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ካብቶም ከፈፍቲ ዓሳ ዝረኽቦ ገንዘብ ኣብ ግብረሽበራዊ ተግባራት የውዕሎ ኣሎ ብምባል፡ ዝኾነ ሰብ ኣብቲ ቀላይ ዓሳ ከይገፍፍ ምኽልካሉ ይዝከር።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58731258"} {"headline":"ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ኣፍሪቃ ልዕሊ 44 ሽሕ ሰባት ጠፊኦም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝጠፍኡ ተገሊጹ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ልዕሊ 44 ሽሕ ሰባት ምጥፍኦም ከም ዝተረጋገጸ ኮሚቴ ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ። እቲ ኮሚቴ ንዓለም ለኸ መዓልቲ ምጥፋእ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ካብዚኦም እቶም 45 ሚኢታዊት ህጻናት ምዃኖም ሓቢሩ። ካብዞም ጠፊኦም ዘለው 82 ሚኢታዊት ብምኽንያት ጎንጺ ይሕመሳ ካብ ዘለዋ ሃገራት ጥራሕ ምዃኖም እውን ይሕብር። ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝጠፍኡ ሰባት ብጠቕላላ ልዕሊ ፍርቂ ካብ ናይጄሪያ ኮይኖም፡ ኣብታ ሃገር ኣስታት 24 ሽሕ ሰባት ከም ዝጠፍኡ ተሓቢሩ። ምጥፋእ ብዙሓት ሰባት ካብ ዘመዝገባ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ኢትዮጵያ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሶማሊያ፣ ሊቢያ፣ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎን ካሜሩንን ይርከብአን። እቲ ኮሚቴ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝተልዓሉ ጎንጺታትን ካልኦት መጥቃዕታትን ቑጽሪ ኣብታ ኣህጉር ዝጠፍኡ ሰባት እናወሰኸ ምምጽኡ ሓቢሩ። ብምኽንያት ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝተነብሩ እገዳታት፡ እቶም ዝጠፍኡ ንምርካብን ምስ ስድራቤቶምን ንምሕዋስን ዝግበር ጻዕሪ ከም ዝተዓናቐፈ'ኳ እንተገለጸ እቶም ዝጠፍኡ ሰባት ግን ዝተረስዑ ኣይኮኑን ኢሉ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58391208"} {"headline":"መንግስቲ፡ ተጨውዮም ዝነበሩ 100 ኣዴታትን ህጻናትን ከምዘድሓነ ኣፍሊጡ","content":"ሰብ መዚ ሰሜን ምዕራብ ናይጄሪያ ብሸፋቱ ተጨውዮም ዝጸንሑ 100 ኣዴታትን ህጻናትን ከም ዘፍትሑ ኣፍሊጦም። እተን ኣዴታት መብዛሕትአን ቖልዑት ዘዕብያ ዝነበራ ምዃነን ክግለጽ እንከሎ፡ ብ8 ሰነ 2021 ካብ ግዝኣት ዛምፋራ ዝተጨወያ’የን። ኣብቲ እዋን ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት ተቐቲሎም ምንባሮም ይዝከር። ምምሕዳር ግዝኣት ዛምፋራ ዝኾነ ዓይነት ገንዘብ ከይተኽፍለ ክፍትሑ ከም ዝኽኣሉ ካብ ምግላጽ ወጻእ ዝሃቦ ዝርዝር ሓበሬታ የለን። እተን ኣዴታትን ህጻናትን ናብ ስድራቤቶም ቅድሚ ምጽንባሮም ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክረኽቡ ከም ዝግበር ተሓቢሩ ኣሎ። ካብ ቀረባ ኣዋርሕ ንነጀው ኣብዛ ግዝኣት ተደጋጋሚ መጭወይቲ ከጋጥም እንከሎ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2020 ጀሚሩ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ብሸፋቱ ተጨውዮም። መብዛሕትኦም ከኣ ንመፍትሒኦም ዝኸውን ገንዘብ ተኸፊሉ ክወጽኡ እንከለው፡ ገሊኦም ተቐቲሎም። ሰብ መዚ እዚ ከባቢ እቲ ተግባር መብዛሕትኦም ሸፋቱ፣ ጨወይቲ ጉጅለታት፣ ዕጡቓት ሰረቕቲ፣ ጓሶትን ኣብቲ ዞባ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሚሊሻታትትን ፈጺሞምዎ ብምባል ይኸሱ። ኣብ 2014 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ዞባ ቦርኖ እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ቦኮሓራም ድሕሪ ዝፈጸሞ ኣዘራራቢ መጭወይቲ 276 ተመሃሮ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ፡ ብዙሓት ዕጡቓት ጉጅለታት ብብዝሒ ተመሃሮ ክጨውዩ ይርኣዩ ኣለው። ፕሬዝደንት መሓሙድ ቡሃሪ ኣብ ግዝኣት ዛምፋራን መዋስንቲ ዞባታት ካዱናን ካትሲናን ገበነኛታት ከጽሪ ንሰራዊት ምክልኻል መምርሒ ሂቡ’ዩ። ትማሊ ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር፡ ብሰንበት ኣንጻር ዕጡቕ ጉጅለ መጥቃዕቲ ትፍጽም ዝነበረት ነፋሪት ኣብ ዶብ ግዝኣታት ዛምፋራን ካዱናን 'ብሸፋቱ ተሃሪማ ወዲቓ' ምባሉ ይዝከር። ኣብራሪ እታ ነፋሪት ብህይወት ከም ዘሎን ከም ዝሃደመን ከኣ ተገሊጹ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57912098"} {"headline":"ሰራዊት ምክልኻል ናይጄሪያ ነፋሪት ውግእ 'ብሸፋቱ ተሃሪማ ወዲቓ' ኢሉ","content":"ሸፋቱ ናይጄሪያ ብሰንበት ኣብታ ሃገር ብዘይተለመደ ነፋሪት ውግእ ሃሪሞም ከም ዘውደቑ ተገሊጹ። ኣብራሪ እታ ነፋሪት ኣብ ልዕሊ ጭውያ ዝፍጽሙ ገበነኛታት ዝተወስደ ስጉምቲ ደብዳብ ወዲኡ ነይሩ ክብል ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር ኣፍሊጡ። ኣብራሪ ሌተናል ኣባዮሚ ዳሪዮ ከይማረኽ ዓርሱ ናይ ምድሓን ስጉምቲ ብምውሳድ ከምልጥ ምኽኣሉ እውን ተሓቢሩ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዶብ ግዝኣታት ሰሜናዊ ዛምፋራን ካዱናን'ዩ ተፈጺሙ። \"ባንዲት\" ተባሂሎም ዝጽውዑ ዕጡቓት ኣብ ቀረባ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ናይጄሪያ ንዘጋጥም ዘሎ ጭውያ ይኽሰሱ። ካብ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ተምሃሮን ህጻናትን ዒለማ ጭውያ ክኾኑ እንከለው፡ መብዛሕትኦም ነቶም ጨወይቲ ገንዘብ ብምኽፋል ክፍትሑ ክኢሎም፤ ገሊኦም ግን ተቐቲሎም። ኣብ ቀረባ መዓልታት ፕሬዝደንት መሓሙዱ ቡሃሪ ኣብ ልዕሊ'ቶም ዕጡቓት ስጉምቲ ክውሰድ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገሩ መምርሒ ምሃቡ ይዝከር። ሓይሊ ኣየር ናይጄሪያ ድማ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ብምትሕብባር ቀትርን ለይትን ነዞም ሸፋቱ ንምጽራግ ይሰርሕ ኣለኹ ይብል። እቲ ብሰንበት ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ሓደ ካብቶም ዝውሰዱ ዘለው ስጉምታት ኮይኑ \"ተኸታታሊ ስርሒት ደብዳብ ነፈርቲ ብምውሳድ ኣማኢት ሸፋቱ ክጽረጉን ተሓቢኦምሉ ኣብ ዝነበረ ክጠፍኡን ክኢሎም\" ክብል መግለጺ እቲ ሓይሊ ኣየር ሓቢሩ። ኣብዚ ዓመት ብርክት ዝበላ ነፈርቲ ውግእ ተሃሪመን እኳ እንተወደቓ እዚ ግን ብዕጡቓት ዝተፈጸመ ተባሂሉ ክንገር ፈላማይ'ዩ። ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ሌፍተናል ጀነራል ኢብራሂም ኣታሂሩ ምስ ካልኦት ዓሰርተ ኣዘዝቲ ሰራዊት ብሓደጋ ነፋሪት ምሟቱ ይዝከር። ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ድማ ካልእ ነፋሪት ኣብ ዞባ ቦርኖ ተሓምሺሻ። እዚ ሓደ ካብቶም ዕጡቓት ቦኮሓራም ዝንቀሳቐሰሎም ከባቢታት እዩ። እዛ ነፋሪት ብጅሃዳውያን ዕጡቓት ከም ዝተሃረመት'ኳ እንተተገለጸ ሰራዊት ምክልኻል ግን ነጺግዎ ነይሩ። ቅድሚኡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝተጨወዩ ተምሃሮ ክትእልሽ ካብ ኣቡጃ ናብ ግዝኣት ኒጀር ዝተበገሰት ነፋሪት ሰራዊት ሓደጋ ኣጋጢሙዋ ሸውዓተ ሰባት ሞይቶም'ዮም። ናይጄሪያ፡ ብ496 ሚሊየን ዶላር ዝዓደገተን ኢ-29 ሱፐር ቱካኖ ዝተባህላ 12 ነፈርቲ ውግእ ካብ ኣመሪካ ዝዓደገት ኮይና እተን ሽዱሽተ ኣብዚ ወርሒ ክትርከበን'ያ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57829676"} {"headline":"ጂሃዳዊ ጉጅለ ቦኮ ሓራም መራሒኡ ከምዝተቐትለ ዘረጋግጽ ቪድዮ ኣውጺኡ","content":"ናይጀርያዊ ጂሃዳዊ ጉጅለ ቦኮ ሓራም መራሒኡ ከምዝተቐትለ ዘረጋግጽ ቪድዮ ኣውጺኡ። እቲ ቦኮሓራም ዘውጽኦ ቪድዮ፡ ኣቡባከር ሸኩ ብሂወት ከምዘየለ ዝሕብር'ዩ ተባሂሉ'ሎ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ምስ ሓደ ካብ ቦኮሓራም ዝተፈንጨለ ጉጅለ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ከምዝተቐትለ ተሓቢሩ ነይሩ። መንግስቲ ናይጀርያ ግን ብዛዕባ'ቲ ዝወጸ ሓበሬታ'ውን ዝሃቦ መግለጺ የለን። እቲ ቪድዮ ነቲ ኣቡባከር ሻኩ ብርግጽ ሞይቱ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝያዳ መረጋገጺ ምዃኑ ይግለጽ። ኣብቲ ሰለስተ ደቓይቕ ንውሓት ዘለዎ ቪድዮ፡ ሓደ ጻዕዳ ክዳን ምስ ጸሊም ዕማመት ዝለበሰ ሰብኣይ፡ ኣብ የማነ ጸጋሙ ብርክት ዝበሉ ብረት ምስ ጠያይቲ ብዝዓጠቑ ሰባት ተኸቢቡ ብቋንቋ ዓረብ ጽሑፍ ከንብብ ይርአ። ናይ ቦኮሓራም ጸሊም ባንዴራ'ውን ኣብቲ ምስሊ ዝርአ ኮየኑ፡ እቲ ቦታ ገጠር ይመስል። እቲ ነቲ ጽሑፍ ዘንብብ ሰብኣይ፡ እቲ ብሳሃላባ ዝፍለጥ ኣዛዚ ቦኮሓራም ባካሩ ሞዱ ምዃኑ ይንገር። ንሱ ሓድሽ መራሒ እቲ ጉጅለ ኮይኑ ክኸውን ከም ዝኽእል ተንተንቲ ጸጥታ ይግምቱ። ብዙሓት፡ ሸኩ እንተሞይቱ፡ እቲ ኣብ መንጎ ቦኮሓራምን ካብኡ ተፈንጪሉ ዝወጸአ እስላማዊ ጉጅለ ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝጸንሐ ተጻብኦታት ደው ክብል ከም ዝኽእል ይዛረቡ። ንልዕሊ 10 ዓመታት ንቦኮሓራም ዝመርሐ ሸኩ፡ ብፍላይ በቲ ኣብ 2014 ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ ኣብ ቺቦክ ዘካየዶ ጭውያ 200 ደቂ ኣንስትዮ ተማሃሮ ይፍለጥ። ቦኮሓራም ካብቲ ዝተመስረተሉ 2009 ጀሚሩ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ፡ ጫድ፡ ኒጀርን ካሜሩንን መጥቃዕታት ከካይድ ጸኒሑ ኣሎ። ኣብ ናይጀርያ በቲ ጎንጺ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ክፈናቐሉ እንከለው፡ ብውሕዱ 30,000 ሞይቶም ኣለው።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57522989"} {"headline":"ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ብራስለስ ብሽም ኣብታ ሃገር ዝተቐትለት ፋይቶት ሓድሽ ጎደና ክትስይም'ያ","content":"ከተማ ብራስለስ፡ ብሽም ኣብታ ሃገር ዝተቐትለት ናይጄሪያዊት ፋይቶት ሓድሽ ጎደና ክትስይም'ያ። እዚ ኣካል እቲ ኣብ ቤልጅም ንደቂ ኣንስትዮ ኣፍልጦ ክወሃብ ኣለዎ ብዝብል ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ጎስጓስ ከም ዝኾነ ተገሊጹ። ቤት ምኽሪ እታ ከተማ ከም ዝበሎ፡ እቲ ጎደና ብሽም እታ ኣብ ወርሒ ሰነ 2018 ብካራ ተወጊኣ ዝሞተት ኢዩኒሴ ሳያንዲ ክኸውን'ዩ። እታ ግዳይ ኣብ ኤውሮጳ ጽቡቕ ዕድል ስራሕን ህይወትን ክትረክብ ከም ዝሕግዙዋ ቃል ብዝኣተውላ ሰባት ተታሊላ ብ2016 ናብታ ሃገር መጺኣ። እቲ ናብ ኤውሮጳ ዕድመ ዝገበረላ ውልቀሰብ ወኪል እቶም ኮኸብ ተዋሳኢት ፊልሚ ክንገብረኪ ኢና ዝበሉ'ዩ መሲሉዋ ነይሩ። ይኹን'ምበር፡ እዞም ሰባት ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ሰባት'ዮም ነይሮም። ናብ ብራስለስ ምስ መጽአት ድማ ኣገዲዶም ኣብ ምንዝርና ክትዋፈር ገይሮማ። ናብ ኤውሮጳ ናይ ዘስገሩዋን ክራይ ገዛ ናይ ዝኸፈሉላን ድማ 52 ሽሕ ዶላር ንእውደኪ ኢና ኢሎምዋ። ኣብቲ ዝሞተትሉ ሰሙን፡ ኣብቲ ዝተዋፈረትሉ ስራሕ ምፍርራሕን መጥቃዕትን ይበጽሓ ከም ዘሎ ንሓደ ገባሪ ሰናይ ፋይቶት ኣዘራሪባ ነይራ። ኣብታ ሃገር ሕጋዊ ስደተኛ ስለ ዘይኮነት ድማ ናብ ፖሊስ ምኻድ ከም ዘስግኣ ሓቢራ። ኣብ ወርሒ ሰነ 2018 ግን ሳያንዲ ብሓደ ውልቀሰብ 17 ግዜ ብካራ ተወጊኣ ኣብ መበል 23 ዓመታ ሞይታ። ድሕሪ'ዚ፡ ኣብዚ ስራሕ ዝተዋፈራ ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ዝወደብኦ ተቓውሞታት ክካየድ ጀሚሩ። እዞም ሰልፍታት ዝሓሸ ናይ ስራሕ ኩነታት ክፍጠረለንን ናይ ከባቢ ኣመሓደርትን ነቲ ዓውዲ ዝጥምት ሕጋዊ ኣሰራርሓ ክትግብሩን ዝሓቱ ነበሩ። ኣብ ቤልጅም፡ ምንዝርና ዘይሕጋዊ እኳ እንተዘይኮነ፡ ንኹሉ ዝገዝእ ሃገራዊ ሕጊ ግን የለን። ብቕትለት ሳያንዲ ዝተኸሰሰ ወዲ 17 ዓመት ጥርጡር ጉዳዩ ብቤት ፍርዲ ይርኣይ ኣሎ። እቶም ኣርባዕተ ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ'ውን ኣብ ቀይዲ ውዒሎም ኣብ ወርሒ ጥሪ እዚ ዓመት [2021] ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ተፈሪዱዎም። ሕጂ ሓድሽ ጎደና ብሽም እታ ግዳይ ክስየም ምግባር ኩለን \"ግዳያት ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ሰባት፣ ጾታዊ ዓመጽን ቅትለትን ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ\" ዝተዘንግዓ ደቂ ኣንስትዮ ትኹረት ንክረኽባ ንምግባር ዝዓለመ'ዩ ክብል ቤት ምኽሪ ብራስለስ ገሊጹ። እዚ ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ እታ ከተማ ዝርከብ ጎደና ኣብታ ሃገር ብሽም ፋይቶት ዝተሰየመ ፈላማይ ጎደና ከም ዝኾነ ማዕኸን ዜና እታ ሃገር ኣርቲቢኤፍ ሓቢሩ። ቤት ምኽሪ ብራስለስ፡ ቅድም ኢሉ ብብርክት ዝበላ ፍሉጣት ደቂ ኣንስትዮ ጎደናታት ሰይሙ'ዩ። ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ኣንስ ፐርሱንስ ግን፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 16 ክሳብ 69 ዓመት ዝርከባ 42 ሚኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ እታ ሃገር ኣብ ዝኾነ እዋን ኣካላዊ ጾታዊ መጥቃዕቲ በጺሑወን'ዩ ኢላ። \"ኣብተን ፋይቶት እንተኾይኑ ድማ እዚ ቑጽሪ ዝለዓለ ይኸውን። ነዚ'ዩ ሳያንዲ ብሽማ ጎደና ክስየም ዝኽኣለ\" ትብል። እቲ ኣብ መስርሕ ህንጸት ዝርከብ ጎደና ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ኣዋርሕ ክዛዘም ትጽቢት ይግበር።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58591026"} {"headline":"መራሒ ቦኮ ሓራም ኣቡባከር ሼካው ነፍሰ-ቅትለት ከምዝፈፀመ ተገሊፁ","content":"መራሒ ናይቲ ኣብ ናይጄርያ ዝርከብ ዕጡቕ ጉጅለ ቦኮ ሓራም ኣቡባከር ሼካው ንርእሱ ከምዝቐተለ፡ መነሓንሕቲ ቦካሓራም ዝኾነ እስላማዊ ጉጅለ ምዕራብ ኣፍሪቃ (Iswap) ገሊፁ። ማዕኸናት ዜና ከምዝረኸብዎ፡ እቲ ዕጡቕ እስላማዊ ጉጅለ ምዕራብ ኣፍሪቃ (Iswap) ብዝብል ዝፍለጥ ዝዘርሖ ቅዳሕ ድምፂ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ጉጅለታት ዝተኻየደ ውግእ፡ ኣቡባከር ሼካው ፈንጂ ብምፍንጃር ንባዕሉ ቀቲሉ ኢሉ። ዝሓለፈ ወርሒ ኣቡባከር ሼካው ከምዝሞተ ተገሊፁ ኔሩ፤ ቅድሚኡ'ውን ብተመሳሳሊ መገዲ ተቐቲሉ ተባሂሉ ተወሪዩ ምንባሩ ይፍለጥ። እንትኾነ፡ ሞት ኣቡባከር ሼካው ብበኮ ሓራም ኮነ ብመንግስቲ ናይጄርያ ኣይተረጋገፀን። ኣብቲ መዓዝ ከምዝተቐድሐ ዘይፍለጥ ድምጺ፡ መራሒ እስላማዊ ጉጅለ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ኣቡ ሙሳብ ኣል-ባርናዊ ከምዝኾነ ዝእመን \"ሼካው ብቕፅበት ፈንጂ ብምፍንጃር ንርእሱ ቀቲሉ\" ኢሉ። ተቓለስቲ እስላማዊ ጉጅለ ምዕራብ ኣፍሪቃ (Iswap) ነቲ ኣርሓ ኩናት ዝኾነ ኣቡባከር ኣብ ቀይዲ ብምእታው ንክጠዓስን ናብኦም ክፅንበርን ዕድል ሂቦሞ ከምዝነበሩ ኣል-ባርናዊ ገሊፁ። \"ሼካው ኣብ መሬት ካብ ዝሓስር፡ ኣብቲ ክንዮ ህይወት (ህይወት ድሕሪ ሞት) ክሓስር እዩ መሪፁ\" ኢሉ። ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ኣቡባከር ሼካው ሞይቱ ዝብሉ ሓበሬታት ኣብ ዝወፅሉ ግዘ፡ ሰራዊት ምክልኻል ናይጄርያ ከምዝምርምሮ ምግላፁ ይዝከር። ወሃቢቃል እቲ ሰራዊት ብርጋዴር ጀነራል ሞሓመድ ዬርማ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብቲ እዋን፡ እቲ ሰራዊት እንታይ ከምዘጋጠመ ይምርምር ኔሩ፡ እንተኾነ ዘየማትእ መረጋገፂ ክሳብ ዝርከብ ዛዕባ ክኸውን ኣይኽእልን ኢሉ። ሓደ ምስ ትካላት ፀጥታ ርክብ ዘለዎ ጋዜጠኛ ብወገኑ፡ እስላማዊ ጉጅለ ምዕራብ ኣፍሪቃ (Iswap) ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጄርያ፡ ኣብ ዱር ሳምቢሳ ንዝነበረ ክንፊ ቦካሓራም ድሕሪ ምጥቅዑ ሼካው ከምዝሞተ ገሊፁ። ኣቡባከር ሼካው ቅድሚ ሕዚ ዋላ'ኳ ብዙሕ ግዘ ከምዝሞተ እንተተገለፀ፡ ብህይወት ከምዘሎ ደሃይ ብምግባር ከረጋግፅ ፀኒሑ እዩ። ኣብ 2009 መስራቲ ቦካሓራም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ እንከሎ ድሕሪ ምሟቱ፡ ኣቡባከር ሼካው፡ ንጉጅለ ቦካሓራም ብምልዋጥ ዓበይቲ ወተሃደራዊ ስርሒታት ንኸካይድ ኣኽኢልዎ እዩ። ቦካሓራም ብሼካው እናተምርሐ፡ ኣብቲ ዞባ ኣብያተ ማእሰርቲ ካብ ምስባር ብተወሳኺ፡ ጭውያታትን ነትጉታትን ፈፂሙ እዩ። ኣብ 2014 ድማ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሸሪዓ ዝመሓደር እስላማዊ ግዝኣት ንምፍጣር፡ ንከተማታት ክቆፃፀር ጀሚሩ። እቲ ኣብ 40ታት ዕድመ ከምዝርከብ ዝእመን ኣቡባከር ሼካው፡ ከም ኦሳማ ቢንላደን፡ ነቲ ደማዊ ጂሃዳዊ ጎስጓስ ናይ ፕሮፖጋንዳ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ብምዝርጋሕ ደጊፍዎ። ኣብ 2012 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ፡ \"ከምቲ ደርሆን ኣባጊዕን ዝሓርድ፡ ምቕታል የሕጉሰኒ እዩ\" ኢሉ ኔሩ። ኣቡባከር ሼካው ንቦካሓራም ምምራሕ ካብ ዝጅምር ንነጀው፡ ልዕሊ 30 ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም ልዕሊ ክልተ ሚልየን ሰባት ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም። ኣብ 2014 እቲ ጉጅለ ኣብ ግዝኣት ቦርኖ ብኣማኢት ዝቑፀራ ተምሃሮ ደቂኣንስትዮ ቺቦክ ድሕሪ ምጭዋዩ፡ ስም ቦካሓራም ገኒኑ፤ #ኣዋልድና መልስወን (BringBackOurGirls) ዝብል ጎስጓስ ክካየድ'ውን ምኽንያት ኮይኑ። ኣብቲ እዋን ተጨውየን ካብ ሞንጎ ዝተወሰዳ ተምሃሮ፡ መብዛሕትአን ደሃየን ኣይተረኸበን። ንመራሒ ቦካሓራም ኣቡባከር ሼካው \"ዓለማዊ ኣሽባሪ\" ብዝብል ዝሰመየቶ ኣሜሪካ'ውን፡ ዘለዎ ንዝሕብር ኣካል ሸውዓተ ሚልየን ዳላር ከምትሽልም ኣዊጃ ኔራ። ናይ ሼካው ኣጀንዳ ኣኽራሪ ምዃኑን ኣብ እስላማዊ ግዝኣት (ኣይኤስ) ተቐባልነት ምስኣኑን ስዒቡ፡ ኣብ 2016፡ እስላማዊ ጉጅለ ምዕራብ ኣፍሪቃ (Iswap) ካብቲ ጉጅለ ተነፂሉ ተመስሪቱ። ሞት ኣቡባከር ሼካው ምርግጋፅ፡ መወዳእታ ቦካሓራም እዩ ምባል ከምዘይከኣል እዮም፡ ተንተንቲ ዝገልፁ። እስላማዊ ግዝኣት ምዕራብ ኣፍሪቃ (Iswap) ካብቲ ጉጅለ ብምንፃል ንቦካሓራም ስዒቡ ዓብላሊ ዓማፂ ኮይኑ እዩ። ገለ ተንተንቲ ድማ፡ ሞት ኣቡባከር ሼካው፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ጉጅለ ዝዓረገ ምውጣጥ ክገትእን፡ እስላማዊ ግዝኣት ምዕራብ ኣፍሪቃ (Iswap) ድማ ንተዋጋእቲ ቦካሓራም ክወስድን ዘኽእል'ዩ ይብሉ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57381230"} {"headline":"ድሕነትን ጸጥታን ናይጄሪያ፡ ሓሙሽተ ስግኣታት ድሕነት","content":"ናይጄሪያ ተራእዮም ብዘይፈልጡ ግን ድማ ንሓድሕዶም ብዝገራጨው ቅልውላው ጸጥታ ዝተጠቕዐት ሃገር'ያ። ኣብታ ሃገር ዳርጋ ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ካብ ጭውያ ክሳብ መጥቃዕታት ግብረ ሽበራ ዝፍጸሙ ገበናትን ናዕብን ብዙሕ እዩ። ኣብ ኢንስቲትዩት ቶኒ ብሌየር ተንታኒ ድሕነት ዞባ ሳሕል ዓብዱ ቡላማ ቡካሪት ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ስግኣት ጸጥታ ንመሰረታዊ ጉዳይ ህዝቢ ናይጄሪያ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ'ዩ ይብል። \"በቶም ዝፍጸሙ መጥቃዕታት ህይወት ሰብ ይጠፍእ ወይ'ውን ነባሪ ኣካላዊ መጉዳእቲ ይበጽሕ። በዚ ምኽንያት ኣብ ደሞክራስን ኣብታ ሃገርን ዘሎ እምነት ይጎድል ኣሎ\" ኢሉ። ኣብ 2015፡ መሓሙድ ቡሃሪ ክምረጽ ከሎ ዜጋታት ካብ ገበነኛታትን ኣሸበርትን ንክሕልዎም ቃል ኣትዩ ነይሩ። እንተኾነ፡ እታ ሃገር ኣብ ዓሰርተታት ዓመታት ካብ ዝነበረቶ ብዝኸፍአ ኣብ ዘይምርግጋእ ጥሒላ፡ እቲ ዝኣተዎ መብጽዓ'ውን ከየፈጸመ ዕምሪ ስልጣኑ ከብቅዕ ክልተ ዓመት ዘይመልእ እዋን ተሪፉዎ ኣሎ። ኣብዚ እዋን ኣብታ ሃገር ዝምዕብል ዘሎ ስግኣት ጸጥታ መበገሲኡ ድኽነት'ዩ ዝብሉ ኣለው እታ ሃገር ከኣ ኣብ ውሽጢ 27 ዓመታት ዝኸፍአ ቑጠባዊ ዝሕታለ ካብ ዘርኣያ ሃገራት ሓንቲ'ያ፤ ሽቕለት ኣልቦነት 32.5 ሚኢታዊት በጺሑ ኣሎ። ዝኾነ ኾይኑ፡ እቶም ሓሙሽተ ዓበይቲ ስግኣታት ድሕነት ናይጄሪያውያን እዞም ዝስዕቡ'ዮም። ኣብ መጀመርታ ዓመት መሪሕነቱ፡ እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ቦኮሓራም \"ቴክኒካዊ\" ስዕረት በጺሑዎ'ዩ ዝበለ ፕሬዝደንት መሓሙዱ ቡሃሪ፡ ሕጂ ሰሜናዊ ምብራቕ እታ ሃገር ኣቢሉ ዝጀመረ መጥቃዕታት እቲ ጉጅለ: ክገትኦ ከም ዘይክኣለ ይገልጽ። ቦኮሓራም፡ ድኽነትን ካልኦት ስነ ሓሳቡ ኣብ ምስራጽ ዘይግድቡዎ ጸገማት ጸጥታ እታ ሃገርን ተበሊጹ ናብ ሓደሽቲ ከባቢታት የስፋሕፍሕ ኣሎ። ከም ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መወዳእታ 2020፡ እዚ ጉጅለ ኣስታት 350 ሽሕ ሰባት ክቐትል እንከሎ ሚሊዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም። ቦኮሓራም፡ ከበድቲ መጥቃዕታት ብምፍጻም ኣብ ዝቆጻጸሮም ገለ ከባቢታት ባንዴራ ተኺሉ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ሕሉፍ ሕግታት ክትግብር'ውን ይስትውዓል። ንኣብነት፡ ኣብ ልዕሊ ሕርሻን መሸጣ ምህርትታት ሕርሻን ግብሪ ይድንግግ። ካልእ ተሪፉ፡ እቲ ሕጂ ኣብ ተፋሰስ ጫድ ዝዕምብብ ዘሎ ዓለምለኻዊ ንግዲ ዓሳ ኣብ ሙሉእ ቑጽጽር እዚ ጉጅለ ኣትዩ ይርከብ። እቲ ካልእ ዓብዪ ጸገም፡ መንግስቲ ክበጽሖም ኣብ ዘይክኣለን ዝተረስዑን ገጠር ከባቢታት ዝነብሩ ሰባት ንጭቆና እዞም ጉጅለታት ዝተቓልዑ ምዃኖም'ዩ። ኣብ ቀረባ ዓመታት ካብ ጉጅለ ቦኮሓራም ዝተነጸለ እስላማዊ ጉጅለ ምዕራብ ኣፍሪቃ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጉጅለ ብዓቐንን ዓቕምን ንቦኮሓራም በሊጹ ይርከብ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብቲ ዞባ ልዑል ጽልዋ ካብ ዘለዎም ዕጡቓት እስላማዊ ጉጅለታት ሓደ'ዩ። መንግስቲ ክሳብ ሕጂ ኣንጻር እዞም ጉጅለታት ዝወስዶ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክዕወተሉ ኣይክኣለን። ንብዙሕ ዓመታት፡ ሳገምቲ ኣርባሕቲ እንስሳን ሓረስቶትን ናይጄሪያን ናብ ጎንጺ ክኣትው ጸኒሖም። ብመሬትን ማይን ከምኡ'ውን መጋሃጫ ዝልዓሉ ዝነበሩ ግጭታት ሕጂ ብምኽንያት ለውጢ ኩነታት ኣየርን ምስፋሕ ምድረበዳ ሰሃራን ተወሲኽዎ እቶም ኣርባሕቲ እንስሳ ሰውሒ ዘለዎ ቦታ ብምድላይ ናብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ይደፍኡ ኣለው። ሕጽረት ሃፍቲ ተፈጥሮ ብዘስዕቦም ግጭታት ከኣ ኣሽሓት ተቐቲሎም'ዮም። ኣብ ማእከል እታ ሃገር እትርከብ ክልል ቤኑ እታ ዝኸፍአ መጥቃዕታት ዘአንገደት እያ። ኣብ ቀረባ ኣብ ሓደ ካብ ግጭት ዝሃደሙ ዝተዓቖብሉ ግዝያዊ ቦታ ብዝተኸፍተ ተኹሲ ሸውዓተ ሰባት ሞይቶም። ገሊኦም ከኣ እቶም ኣርባሕቲ እንስሳ ሰብ ጨውዮም ብምውሳድ ገንዘብ ከም ዝሓቱዎም ይኸሱ። ብምኽንያት እቲ ኣብ ሞንጎ ሓረስቶትን ኣርባሕቲ እንስሳን ዝለዓል ጎንጺ፡ ገለ ኣመሓደርቲ ኣብ ጎላጉል መጋሃጫ ኸልኺሎም። እዚ ከኣ ኣብቲ ማእከላይ መንግስቲ ምክፍፋል ይፈጥር ኣሎ። ኣብ 2019፡ ሰብ መዚ ፌደራል ፍርያምነት እንስሳት ክውስኽ፤ ጎንጺ ከኣ ከትርፍ እዩ ዝበሉዎ ናይ 10 ዓመት ብሄራዊ መደብ ስግግር እንስሳት ወግዓዊ ገይሮም። ይኹን'ምበር ብምኽንያት ሕጽረት ፖለቲካዊ መሪሕነት፣ ሰብ ሞያን በጀትን ክዕወት ከም ዘይክኣለ ነቐፍቲ መንግስቲ ይዛረቡ። ስድራቤታት ናይጄሪያ፡ ብምኽንያት ካብ ኣብያተ ትምህርትን ኣሕደርቲ ኣብያተ ትምህርትን ዘጋጥም ዘሎ ጭውያ ህጻናት ተመሃሮ ውሕስና ኣይስምዖምን። ካብ ወርሒ ታሕሳስ 2020 ጀሚሩ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ተመሃሮ ካብ ቤት ትምህርቲ ክጭወዩ እንከለው፡ መብዛሕትኦም ኣሽሓት ዶላራት ተኸፊሉ ክፍትሑ ክኢሎም። ገለ ካብ'ዞም ጨወይቲ ኣብ ናይጄሪያ \"ባንዳ\" ተባሂሎም እዮም ዝጽውዑ። እዞም ገበነኛታት ናብ ገጠራት ብምእታው ሰላማውያን ሰባት ይጨውዩን ኣባይቲ የቃጽሉን። ካብዚ ብዝብገስ ኣሽሓት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ኣብ ዝተፈላለያ ኩርናዓት እታ ሃገር መዕቖቢ ይጠልቡ። ሰሜን ምዕራብ ክፋል እታ ሃገር ማእከል እዞም መጥቃዕታት'ዩ። ዛምፋራ ኣብ እትብሃል ግዝኣት ጥራሕ ካብ 2021 ጀሚሩ ልዕሊ 3,000 ሰባት ተቐቲሎም፤ እቲ መጥቃዕቲ ግን ሕጂ'ውን ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ዛምፋራን ኒጀርን ካብ ቖልዓ ሰለስተ ዓመት ጀሚሩ ብዘጋጥም ጭውያ ተመሃሮ: ብኣማኢት ዝቑጸራ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን'የን። እዚ ኣብታ ሃገር እናዓበዩ ይመጽኡ ካብ ዘለው ኢንዳስትሪታት ሓደ ኮይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ውሑሳት ናብ ዝብሃሉ ከባቢታት ከይተረፈ ይዝርጋሕ ኣሎ። ብሱሩ'ውን ካብ ቑጽጽር ሰራዊት ወጻኢ ይኸውን ምህላው ይግለጽ። ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ዙርያ ንግድን ትምህርትን ከምኡ'ውን ሕርሻ እታ ሃገር ዓብዪ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ። ሕቶ ምግንጻል ዘለዎ ጉጅለ ደቀ'ባት ህዝቢ ባያፍራ [ኢፖብ] ንነዊሕ ዓመታት ምስ ኤጀንሲታት ድሕነት ናይጄሪያ ናብ ጎንጺ ክኣቱ ጸኒሑ'ዩ። እዚ ጉጅለ፡ ኣብ ደቡብ ምብራቕ እታ ሃገር ዝርከባ ዞባታት ሓቚፉ ሃገር ክምስርት ይጠልብ። ኢግቦ፡ እቲ ዝዓበየ ብሄር እዚ ጉጅለ ኮይኑ ካብ 1960ታት ጀሚሩ ናጻ ሃገረ ባያፍራ ክምስርቱ ባህጊ ኣለዎም። ጉጅለ ኢፖብ ብ2014 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ብናምዲ ካኑ ተመስሪቱ፤ ካኑ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኣሰረ ኮይኑ ክስታት ግብረ ሽበራን ጥልመት ሃገርን ይቐርበሉ ኣሎ። ማእሰርቲ ካኑ ሓያል ምንቅስቓስ ጉጅለ ኢፖብ ምልዕዓሉ ከኣ ይዝከር። ስነሓሳብ ምስረታ ሃገረ ባያፍራ ሓድሽ ኣይኮነን። ብ1967 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣመሓደርቲ እዚ ከባቢ ዓርሰ ምሕደራ ኣዊጆም። እዚ ኸኣ ምኽንያት ሞት ሚሊዮናት ዝኾነ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ኣልዒሉ። ደገፍቲ ምንቅስቓስ ናምዲ ካኑ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ፣ ቤት ማእሰርቲ፣ መንበሪ ገዛ ፖለቲከኛታትን ዓበይቲ ዓድን መጥቃዕቲ ብምፍጻም ይኽሰሱ። ፕሬዝደንት መሓሙድ ቡሃሪ ከኣ ነዚ ጉጅለ ክድምስሶ ቃል ኣትዩ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ \"እዞም ሎሚ ዘይእርነቡ\" ሰባት \"ብዝርድኦም ቋንቋ\" ኣደብ ክገዝኡ'ዮም ኢሉ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። ይኹን'ምበር ትዊተር ንሕግታተይ ዝጻባእ'ዩ ብምባል ነዚ ጽሑፍ ኣልዩዎ። እዚ ከኣ መንግስቲ: ትዊተር ኣብ ናይጄሪያ ንክእግዶ መበገሲ ኮይኑ ዓለም ከዘራርብ ቀንዩ። ነዳዲ ኣብ ዝፈርየሉ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ጸገማት ድሕነት ኣለው ክብሃል ሓድሽ ኣይኮነን። እዚ ከባቢ ናይጄሪያ ዝለዓለ ሸርፊ ወጻኢ እትረኽበሉ ኮይኑ፡ ኣብ ኒጀር ዴልታ ዝርከቡ ሚሊሻታት ከኣ ይብጽሓና'ዩ ዝብል ቅርታ ኣለዎም። ዝበዝሕ ነዳዲ ካብ ዞብኦም ዝርከብ ስለ ዝኾነን ነዳዲ ኣብ ምውጻእ ዝበጽሕ ከባቢያዊ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰቦም ጽልዋ ብምሕዳር ዓሳ ንምርባሕ ኮነ ንሕርሻ የጸግመሎም ከም ዘሎ ይካትዑ። ንዓመታት ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሚሊሻታት ሰራሕተኛታት ኩባኒያታት ነዳዲ ብምጭዋይን ኣብ ልዕሊ ኣካላት ጸጥታን ትሕተ ቕርጺ ናይቲ ነዳድን መጥቃዕቲ ብምፍጻም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ጸቕጢ ክፈጥሩ ጸኒሖም። ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ፕሬዝደንት ነበር ኡማሩ ሙሳ ያርኣዱላ ኣብ 2009 ፕሬዝደንታዊ ፕሮግራም ምሕረት ኣዊጁ እኳ እንተነበረ ሕጂ'ውን ዕጡቓት ጉጅለታት ጸገማት ድሕነት ምፍጣር ቐጺሎም ኣለው።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57829672"} {"headline":"መቕርቦም ብሞት ምስ ዝፍለዮም መፈጸሚ ስነስርዓት ቀብሪ ዘጨንቖም ዘሎ ናይጀርያውያን","content":"ሰባት ካብዚ ዓለም ብሞት እንትፍልይዎም መቕርቦም ስለዝተፈለይዎም ዘጸናንዖም ሰብ ይደልዩ። እንተኾነ ግን ኣብ ናይጀርያ ሰባት መቕርቦም እንትሞትዎም ንገዛእ ርእሶም ኣብ ክንዲ ዘጸናንዑ መፈጸሚ ስነ ስርዓት ቀብሮም እዩ ዘሻቕሎም። ምኽንያቱ ድማ ቤተ ክርስትያን መቕበሪ ዋጋ ሰማይ ስለዝሰቐለቶ’ዩ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58772980"} {"headline":"ፖሊስ ናይጀርያ ኣብ ማእኸል መሳቐዪ ንዝነበሩ ሰባት ኣድሒኑ","content":"እቲ ኣብ ከተማ ካኖ ዝተረኸበ ቦታ ናይ ተሃድሶ ማእኸል ክኸውን'ዩ ትጽቢት ዝግበሮ ነይሩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ብናይ ውልቀ ሰባት ዝመሓደር ማእኸል ኮይኑ ወለዲ ብወልፊ ዝዓወኑን ገበን ናይ ምፍጻም ባህሪ ዘርእዩን ደቆም ንተሃድሶ ኢሎም ዝሰድሉ ቦታ እዩ። እንተኾነ ግን ፖሊስ ብቕድሚ ትማሊ ሓሙስ ነቲ ማእኸል ኣብ ቁጽጽሩ ምስ ኣእተወ 47 ሰባት ዝረኸበ ኮይኑ ኣብ ክሊ ዕድመ 14 ክሳብ 35 ዝርከቡ መናእሰይ ደቂ ተባዕትዮ እዮም። ኣብ ነብሶም ማህረምቲ ከምዘጋጠሞም'ውን ንፖሊስ ኣርእዮም። በዓል ዋናን ኣካያዲ ስራሕን እቲ ማእኸል ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ከምዝኣተወን ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐርብን ወሃቢ ቃል ፖሊስ ዓብዱላሂ ሃሩና ንቢቢሲ ተዛሪቡ። እቶም ናይ ተሃድሶ ማእኸላት ተባሂሎም ዝጽውዑ ትካላት ቅድሚ 10 ኣዋርሕ ብክልላዊ መንግስቲ ተኣጊዶም እዮም። ምኽንያቱ ድማ ፖሊስ ሃንደበታዊ ተፍቲሽ ኣብ ዝገብረሉ ግዜ ናይ መንከላበቲ ማእኸላት ኮይኖም የገልግሉ ስለዝነበሩ እዩ። እንተኾነ ግን ገሊኦም ማእኸላት ብሕቡእ ሎሚ እውን ስራሕቶም የካይዱ ከምዘለዉ'ዩ ዝግለጽ። ወለድን መቕርባትን ደቆም ናብቶም ማእኸላት ክልእኹ ዝግደዱ ዘለዉ ሕጽረት መንግስታዊ ማእኸላት ተሃድሶ ስለዘሎ'ዩ ክብሉ ሓቢሮም። እቶም ፖሊስ ናይጀርያ ሓራ ዘውጽኦም ግዳያት ማህረምቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ኣገልግሎት ይግበረሎም'ሎ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58854577"} {"headline":"ብናይ ውልቀ ነፈርቲ ዝተጨናነቐ መርዓ ወዲ ፕረዚደንት ናይጀርያ","content":"መጉየዪ ጽርግያ መዓርፎ ነፈርቲ ሰሜናዊት ከተማ ናይጀርያ ካኖ፡ ብናይ ውልቀ ነፈርቲ ተጨናኒቑ ይርአ። ምኽንያቱ ድማ ወዲ ፕረዚደንት ናይጀርያን ጓል ሓደ ፍሉጥ ሃይማኖተኛን ባህላዊ መራሒን ስነ ስርዓት መርዕኦም ይፍጽሙ ስለዝነበሩ ናብኡ ዝተዓደሙ ሊሂቃን ናይጀርያ እዮም ኣጨናኒቖሞ። መርዓ የሱፍ ቡሃሪን ዛሃራ ናስርን ኣብዚ ዓመት ኣብ ናይጀርያ ካብ ዝተፈጸሙ ውሩያት ክስተታት ሓደ እዩ። ኣብቲ ኣብ ካኖ ቤተ መንግስቲ ቢቺ ዝተፈጸመ ስነ ስርዓት መርዓ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተረኺቦም። ኣብ ናይጀርያ መውስቦ ኣብ መንጎ መራሕትን ንጉሳውያን ቤተሰብን ተሰሚዑ ከምዘይፈልጥ ሓደ ምሁር ታሪኽ ንቢቢሲ ገሊጹ። እቶም መርዕኦም ዝፈጸሙ ሕጹያት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዩኒቨርስቲ ሱረይ ከምዝተላለዩ ተገሊጹ። ኣቦ ናይታ መርዓት ናስር ኣዶ ባየሮ ናይ ቢቺ ‘ኢሚር’ ኮይኑ ምስተሰየመ ብወግዒ እቲ ስነ ስርዓት መርዓ ተጀሚሩ። ሓዉ ኢሚር ካኖ ኣብ ናይጀርያ ሓደ ካብ ፍሉጣት መራሕቲ ሃይማኖት እስልምና’ዩ። እንዳ ወዲ ንእንዳ ጓል 500 ሽሕ ናራ [ባጤራ ናይጀርያ] ዘግዘሙ ኮይኖም እዚ ድማ ብልሙድ ኣብ ናይጀርያ ካብ ዝኽፈል መጠን ገዝሚ 10 ዕጽፊ ከምዝኾነ ተገሊጹ። ኣብ ናይጀርያ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኢሻቕ ካልድ ቅድሚ መርዕኦም ዝተስኣልዎ ስእልታት ሕጽኖት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ መካትዒ ኮይኑ ከምዝቐነየ ተገሊጹ። ገለ ነቕፍቲ ኣከዳድና ናይታ መርዓት ኣብ ከባቢ ማእገራ ዕርቃና ተራእያ ዝበሉ ኮይኖም እዚ ድማ ምስ ባህሊ ሕብረተሰብና ዘይኸይድ ኢሎም ነቒፎምዋ። ገለ ገሊኦም ድማ ጽቡቕ ገበረት ክብሉ ድጋፎም ገሊጾሙላ። ናብቲ መርዓ ንምክፋል 100 ናይ ውልቀ ነፈርቲ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ካኖ ከምዝኣተዋ ሓበሬታታት የመልክቱ። ካብ ሓለፍቲ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ሓደ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ግን ትሕቲ 50 ከምዝኾና ገሊጹ። እንተኾነ ግን ድባብ እቲ መርዓ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝሕትል ከምዝበለ ተገሊጹ። መብዛሕቲኦም ዕድሟት ኣጋይሽ ‘ማስክ’ ገይርኦም ከምዝተርኣዩ ተፈሊጡ’ሎ። እቲ መርዓ ብኣዝዩ ጥቡቕ ሓለዋ ዝተሰነየ ዝነበረ ኮይኑ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ናይጀርያ እንኮላይ ተቓወምቲ መንግስቲ ተረኺቦም። ካብቶም ዝተረኸቡ ፖለቲከኛታት ሓደ ኣብ 2015 ፕረዚደንታዊ መረጻ ተሳዒሩ ስልጣኑ ዘረከበ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ጉድላክ ጆናታን ይርከቦም።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58297822"} {"headline":"ናይጀርያ፡ ዋና መደበር ወተሃደራዊ እዚ ኣሜሪካ ናብ ኣፍሪቃ ክግዕዝ ሓቲታ","content":"ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሓማዱ ቡሃሪ፡ ኣሜሪካ ነቲ ኣብ ጀርመን ዝርከብ እዚ ሰራዊት ኣፍሪቃ [ኣፍሪኮም] ናብ ኣፍሪቃ ክግዕዝ ሓቲቱ። ንሱ ኣብቲ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብሰንኪ እቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ተነቢሩ ዘሎ ቀይድታት፡ ኣብ ኣፍሪቃ ማንዛዊ ዑደት (ቨርቹዋል ቪዚት) ኣብ ዝገበረሉ ዘሎ እዋን እዩ ነቲ ጠለብ ኣቕሪቡ። ካብ ቤትጽሕፈት እቲ ፕረዚደንት ዝወጸ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ፡ ቡሃሪ \"ነቲ ኣብ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ፡ ወሽመጥ ጊኒ፡ ዞባ ቀላይ ጫድን ሳሕልን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ጸጥታ ብድሆታት ኣብ ኣፍሪቃ ዝፈጥሮ ዘሎ ጸቕጢ ኣብ ግምት ብምእታው፤ ኣመሪካ ንዋና ቤትጽሕፈት ኣፍሪኮም ነቲ ዞባ ቅርበት ናብ ዘለዎ ከባቢ ክተግዕዞ ከም ዘድልይ ዘነጽር እዩ\" ኢሉ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ኣመሪካ ንትምህርቲ ምስ ዝኸዱ መንእሰያት ኣፍሪቃውያን ዝተራኸበ ብሊንከን፡ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ህላወኣ እናዓዘዘ ይኸድ ምህላው ዘሻቕል ምዃኑ ኣጠንቂቑ። \"ንሕና ንዝኾነ ኣካል ካብ ኣመሪካን ቻይናን ሓዲአን ክመርጽ ንሓትት የሎናን፤ እንተኾነ ግና ነዞም በዳህቲ ሕቶታት ክትሓቱ፡ ኣዕሚቕኩም ክትፍሕሩ፡ ግሉጽነት ክህሉ ክትጠልቡን ብዛዕባ ውልቅኹምን ሃገርኩምን እኹል ሓበሬታ ሒዝኩም ክትውስኑ አተባብዓኩም\" ኢሉ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56911523"} {"headline":"ናይጀርያ: መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ሓደ ቆልዓ ብምቕታል 27 ካልኦት ጨውዮም","content":"ኣብ ናይጀርያ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት፡ ሓደ ቆልዓ ብምቕታል ካልኦት 27 ከምዝጨወዩ ኣማሓዳሪ ዞባ ኒጀር ገሊጹ። ኣብቲ ትማሊ ኣብ ሓደ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ 3 ኣለይቲን፡ 12 ቤተሰብ ናይቶም ቆልዑ'ውን ተጨውዮም ኣለዉ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ኣስታት 600 ኣወዳት ቆልዑ ኣብ መደቂሲ ክፍልታቶም ከም ዝነበሩ ሓላፊ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ዳናሳበ ኡባይዱ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ሓይልታት ጸጥታ ነቶም ዝተጨውዩ ንምርካብ ተዋፊሮም ከምዘለዉ ተፈሊጡ። ዋላ'ኳ ዕላማ ናይዚ ኣብ ከተማ ካጋራ ዝተኻየደ ጭውያ ብንጹር እንተ ዘይተፈልጠ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ናይጀርያ ዕስለ ገበነኛታት ንገንዘብ ኢሎም ቀጻሊ ጭውያታት ከምዝፍጽሙ ወኪል ቢቢሲ ካብ ርእሰከተማ ኣቡጃ ይገልጽ። ኣብዚ ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ኣስታት 20 ካብ መርዓ ዝምለሱ ዝነበሩ ሰባት ተጨውዮም ነይሮም'ዮም። እቶም ኣብ ኣውቶቡስ እናተጓዕዙ ዝተኸትሩ ግዳያት ዛጊት ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ'ውን ልዕሊ 300 ኣወዳት ተምሃሮ ካብታ ኣብ ዞባ ካሲና እትርከብ ከተማ ካንካራ ተወሲዶም ምንባሮም ይዝከር። ምስቶም ዕጡቓት ድሕሪ ዝተገብረ ልዝብ ግን ድሒሮም ተፈቲሖም። ኣብዚ ናይ ሕጂ መጥቃዕቲ ግን፡ እቶም ዕጡቓት ወታሃደራዊ ክዳን ብምልባስ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ብመንግስቲ ዝመሓደር ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸምዎ፡ ኣግልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ንምንጭታት ጸጥታ ብምጥቃስ ጸብጺቡ። ብነፈርቲ ዝተደገፉ ወታሃደራት መንግስቲ ነቶም ጨወይቲ ንምህዳን ተዋፊሮም ከምዘለዉ እቲ ኣገልግሎት ዜና ሓቢሩ'ሎ። ገለ ካብቶም ዝተጨውዩ ቆልዑ፡ ካብ ኢድ ናይቶም ዕጡቓት ብምህዳም ናብ ጣሻታት ተሓቢኦም ድሕሪ ምጽናሕ ይምለሱ ከምዘለዉ ሓላፊ ናይታ ቤት ትምህርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሃማዱ ቡሃሪ፡ ነቲ መጥቃዕቲ \"ናይ ፈራሓት\" ክብል ብምግላጽ፡ ነቲ ናይ ምድሓን ዕማም ንምስላጥ ሓደ ብኣዘዝቲ ሓይልታት ጸጥታ ዝቖመ ጉጅለ ኣዋፊሩ ምህላዉ ገሊጹ። እቲ ፕረዚደንት ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ስእነት ጸጥታ መፍትሒ ክረኽበሉ ሓያል ጸቕጢ ክግበረሉ ምጽንሑ ይፍለጥ። እቲ እስላማውያን ዕጡቓት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ብቐጻሊ ዝፍጽምዎም ይኹን ነቲ ኣብቲ ደቡባዊ ክፋል ኣብ ልዕሊ ትካላት ነዳዲ ዝካየድ መጥቃዕትታት ነታ ሃገር ከቢድ ናይ ጸጥታ ስግኣት ኮይኑዋ ይርከብ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56101316"} {"headline":"ሰብኣይ ጓሉ ንፕረዚደንት ናይጀርያ ብገበን ብልሽውና ይድለ’ሎ","content":"መርማሪ ገበን ብልሽውና ናይጀርያ ሰብኣይ ጓል ፕረዚደንት እታ ሃገር ጊምባ ያዩ ኩሞ ብናይ 65 ሚልዮን ዶላር ገበን ምጥፍፋእ ከምዝድለ ብወግዒ ኣፍሊጡ። እቲ ገበን ምስ ህንጸት መንበሪ ኣባይቲ ዝተሓሓዝ ከምዝኾነ ተገሊጹ'ሎ። ኣብ ህንጸት መንበሪ ኣባይቲ ንዝሳተፉ ትካላት ልቓሕ ብምሃብ ናይ ዝፍለጥ ባንኪ ሞርትጌጅ ፌደራል ዳይሬክተር ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ እዚ ውልቀሰብ ብኮምሽን ምጽራይ ብልሽዉና ናይጀርያ ክድለ ጸኒሑ'ዩ። ናይቲ ኮምሽን ወሃቢ ቃል ዝኾነ ኣዙካ ኦጉጓ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ \"ስእሎም ኣብዚ ተጠቂዑ ናይ ዘሎ ሰባት ኣቶ ታሪ ሩፉስ፣ ኣቶ ጊምባ ያዩ ኩሞን ኣቶ ቦላ ኦጉንሶላን 65 ሚልዮን ዶላር ዝግመት መጠን ገንዘብ ብምጥፍፋእ ስለዝድለዩ ኣበይ ከምዘለዉ ሓበሬታ ዘለዎ ሰብ ንኮምሽን ምጽራይ ብልሽውና ወይ'ውን ኣብ ጥቕኡ ንዝርከብ መደበር ፖሊስ ከመልክት ኣለዎ\" ኢሉ። ኣቶ ኩሞ ምስ ጓል ፕረዚደንት ሙሓመድ ቡሃሪ ፋጢማ ኣብ 2016 እዩ ተመርዕዩ። እቶም ሰለስተ ብገበን ብልሽውና ዝድለዩ ዘለዉ ሰባት ብዛዕባ እቲ ቀሪብሎም ዘሎ ክሲ ርእይቶ ክህቡ'ኳ እንተፈተነ ክረኽቦም ከምዘይከኣለ ወኪል ዜና ኤ ኤፍፒ ጸብጺቡ። ይድለዩ ከምዘለዉ ግን ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ናይጀርያ ኣረጋጊጹ'ሎ። ኮሚቴ ላዕለዋይ ባይቶ ናይጀርያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ንሰብኣይ ጓል እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዘይቅርጥው ኣወሃህባ ውዕሊ ዝምልከት ጉዳይ ጸዊዑ ኣዘራሪብዎ ከምዝነበረ ኣብ ናይጀርያ ዝመደብራ ማዕኸን ዜና ናይጀርያ ፕርሚየም ታይምስ ጸብጺባ። ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ናይጀርያ ዝነበረ ፕረዚደንት መሓመድ ቡሃሪ ንካልኣይ ግዜ እዩ ብፕረዚደንትነት ዝመርሕ ዘሎ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57126811"} {"headline":"ፖሊስ ናይጀርያ ንዝተጨወያ ልዕሊ 300 ተምሃሮ ይደልየን ከምዘሎ ገሊጹ","content":"ጥራዩ ዝተረፈ መደቀሶኢ ተማሃሮ ፖሊስ ናይጀርያ ነተን ካብ ዞባ ዛምፋራ ካብ ቤት ትምህርቲ ዝተጨወያ 317 ተማሃሮ ንምርካብ ስርሒት ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ። እቲ ናይ ምድላይ ስርሒት፡ ድሕቲ እተን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዞባ ኒጀር ዝተጨወያ 42 ተማሃሮን ኣለይተንን ነጻ ምፍናወን እዩ ዝእወጅ ዘሎ። ኣብ ሰሜን ናይጀርያ መጭወይቲ ተማሃሮ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ኮይኑ፡ እቶም ጨወይቲ ነተን ዝጨወይወን ተምሃሮ ንኽፍንውወን ገንዘብ ከምዝሓቱ እዩ ዝግለጽ። ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሓመዱ ቡሃሪ፡ ነቲ ጭውያ ‘ዘይሰብኣውን ዘይቅብሉን’ ብምባል ኮኒንዎ ኣሎ። ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ነቲ ጭውያ ብምኹናን እተን ተጨውየን ዘለዋ ተማሃሮ ብቅልጡፍ ክፍነዋ ጸዊዑ ኣሎ። ኣብ 2014 ካብ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ እትርከብ ከተማ ቺቦክ 276 ተማሃሮ ብእስላማዊ ጉጅለ ቦኮ ሓራም ድሕሪ ምጭዋየን እቲ መጭወይቲ ተምሃሮ ኣቓልቦ ማሕበረ ሰብ ዓለም ከምዝረኸበ ይዝከር። እዚ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ጭውያ ተምሃሮ ግን ብዕጡቃት ገበነኛታት ይፍጸም ምህላዉ እዩ ዝንገር። ፖሊስ ናይጀርያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ዝተወሃሃደ ድልያን ምድሓን ህይወትን እዘን ተማሃሮ ንምክያድ ምድራውን ኣየራውን ስርሒት ከነካይድ ኢና” ኢሉ ኣሎ። ኣብ'ቲ ነተን ተጨውየን ዘለዋ ተማሃሮ ንምድላይ ዝግበር ስርሒት፡ ክልተ ሄሊኮፕተራት ከምዝሳተፋ’ውን መግለጺ ፖሊስ ናይጀርያ ኣነጺሩ ኣሎ። እተን ተምሃሮ ካብ ከተማ ጃንገበ እየን ተጨውየን። በቲ ጭውያ እተን ተማሃሮ ዝተቖጥዑ ነበርቲ እታ ከተማ፡ ተቓውመኦም ንምግላጽ ናብ ጎደናታት ብምውጻእ መካይን ከቃጽሉ ድሕሪ ምጅማሮም ፖሊስ ናይጀርያ ክሃድኡ ተላብይዎም ኣሎ። ቫንጋርድ ዝተብሃለት ጋዜጣ እታ ሃገር’ውን ነበርቲ ከተማ ጃንገበ ተቓውሞ ኣብ ዘስምዕሉ ዝነበሩ ኣጋጣሚ ንጋዜጤኛታት’ውን ከምዝሃረሙ ኣቃሊሓ። ጭውያ እተን ተምሃሮ ብዓርቢ ብኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ ልክዕ ሰዓት ሓደ ድሕሪ ቀትሪ እዩ ተፈጺሙ። ብረት ዝዓጠቑ ጉጅለ ናብታ ብመንግስቲ እትውነን ቤት ትምህርቲ ብምእታው፡ ነተን ተምሃሮ ጨውዮም ወሲዶምወን። ገለ ማዕከናት ዜና፡ እተን ተማሃሮ ዕድሚኤን ካብ 12 ክሳብ 16 ኮይኑ እቶም ጨወይቲ ናብ'ቲ ኣብቲ ካባቢ ዝርከብ ዳንጉልቢ ዝብሃል ጫካ ሒዞመን ከምዝኸዱ ገሊጸን። ድሕሪ እዚ ክስተት እዚ፡ ኣብ ዞባ ዛንፋራ ዝርከባ ኩለን ኣሕደርቲ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝዕጸዋ ኮይነን ኣለዋ። ክሳብ ሕጂ ነቲ ጭውያ ሓላፍነት ይወስደሉ’የ ዝበለ ጉጅለ’ውን የለን። ቅድሚ ዓሰርተ መዓልታት፡ 27 ተምሃሮ ዝርከብዎም 42 ሰባት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ናይጀርያ ካብ እትርከብ ዞባ ኒጀር ካብ ካጋራ ዝብሃል ቤት ትምህርቲ ዝተጨወዩ ነጻ ተለቒቖም ኣለዉ። ቅድሚ ዓሰርተ መዓልታት ብረት ዝዓጠቑ ጉጅለ፡ እቶም ተማሃሮ ደቂሶም እንከለዉ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ብምእታው፡ ንሓደ ተምሃራይ ቀቲሎም ነቶም ዝተረፉ ናብ'ቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ጫካ ሒዘምዎም ከይዶም። ኣመሓዳሪ ዞባ ኒጀር ኣቡበከር ሳኒ ቤሎ፡ ብቀዳም ብትዊተር “እቶም ካብ ቤት ትምህርቲ ካጋራ ዝተጨወዩ ተማሃሮ ነጻ ወጺኦም ናብ ምምሕዳር ዞባ ኒጀር ተረኪቦም ኣለዉ” ኢሉ። እቶም ተጨውዮም ጸኒሖም ነጻ ዝወጹ ተምሃሮን ምምሕዳር እቲ ቤት ትምህርትን ናብ ርእሰ ከተማ ዞባ ኒጀር ዝኾነት ከተማ ሚና ከምዝተወሰዱ'ውን ተፈሊጡ ኣሎ። ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ጥዕነኦም፡ ኣብቲ እዋን ጭዋያ ዝሓለፍዎ ኩነታትን ብኸመይ ከምዝተፈትሑን ግን ብንጹር ኣይተሓበረን።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56229306"} {"headline":"ናይጀርያዊ ሰባኺ ቲቢ ጆሽዋ ንኣፍቀርቲ ተመሳሳሊ ጾታ 'ንምፍዋስ' ጸሎት ብምግባሩ ኣብ ዩትዩብ ተኣጊዱ","content":"ናይጀርያዊ ሰባኺ ቲቢ ጆሽዋ ንኣፍቀርቲ ተመሳሳሊ ጾታ 'ንምፍዋስ' ጸሎት ብምግባሩ ኣብ ዩትዩብ ተኣጊዱ ትካል ዩትዩብ ምስ ዘረባ ጽልኢ ብዝተኣሳሰር ንገጽ ናይቲ ፍሉጥ ናይጀርያዊ ሰባኺ ቲቢ ጆሽዋ ከም ዝኣገደ ተገሊጹ። እቲ ሰባኺ ተመሳሳሊ ጾታ ንዘፍቅሩ ሰባት ክፍወሱ እናጸለየ ዘርእይ ከባቢ ሸውዓተ ዝኸውን ቪድዮታት ኣብቲ ገጽ ድሕሪ ምርካቡ ሓደ ጉጅለ ተሓላቒ መሰላት ጥርዓን ከም ዘቕረበ ተፈሊጡ። ፌስቡክ'ውን ብውሕዱ ሓደ ዘቖጥዕ ምዃኑ ዝተነግረሉ ቪድዮ ከም ዝኣለየ ተፈሊጡ። ኣብቲ ቪድዮ ጀሽዋ ንሓንቲ ሰበይቲ ካብ \"ርኹስ መንፈስ\" ክትናገፍ እናጸለየላ ክጽፍኣ እንከሎ ዘርእይ እዩ ነይሩ። እቲ ሰባኺ ኣንጻር ውሳነ ዩትዩብ ጥርዓን ከእትው ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ። ዩትዩብ ቻነል እቲ ፍሉጥ ሰባኺ 1.8 ሚልዮን ሳብስክራይበርስ ነይርዎ። ቲቢ ጆሽዋ ሓደ ካብቶም ኣብ ኣፍሪቃ ጸለውቲ ዝበሃሉ ወንጌላውያን ኮይኑ ካብ መንጎ ሰዓብቱ ላዕለዎት ኣፍሪቃውያን ፖለቲከኛታት ይርከብዎም። ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ 'ኦፐን ደሞክራሲ' ዝተባህለ ማሕበር ካብ 2016 ክሳዕ 2020 ነቲ ኣብ ዩትዩብ ቻነል 'ቲቢ ጆሽዋ ሚኒስትሪይስ' ዝተጻዕነ፡ እቲ ሰባኺ፡ \"ኣፍቀርቲ ተመሳሳሊ ጾታ\" ንዝኾኑ ሰባት ክፍወሱ ጸሎት እናገበረ ዘርእዩ ቪድዮታት ድሕሪ ምፍታሽ ጥርዓን ኣቕሪቡ። ሓደ ኣፈኛ ዩትዩብ ንኦፐን ደሞክራሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ፖሊሲ ዩትዩብ \"ንኻልእ ሰብ ናይ ኣእምሮ ጸገም ከም ዘለዎ፡ ሕሙም ከም ዝኾነ፡ ወይ'ውን ኣባል ገለ ጉጅለ (ኣፍቀርቲ ተመሳሳሊ ጾታ ዝርከወዎም) ብምዃኑ ደረጅኡ ዝተሓተ ምዃኑ ዝነግር ትሕዝቶ ኣየፍቅድን እዩ\" ብምባል እቲ ገጽ ከምዝተኣገደ ነጊሩ። ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጽ 'ቲቢ ጆሽዋ ሚኒስትሪይስ' ዝወጸ መግለጺ ብወገኑ፡ \"ምስ ዩትዩብ ንነዊሕ ዝጸንሐን ውጽኢታውን ዝምድና እዩ ጸኒሑና፤ እዚ ውሳነ ብታህዋኽ ዝሓለፈ ምዃኑ እኣምን\" ይብል። እቲ ቪድዮ ፈለማ ኣብ 2018 ዝተጽዓነ ኮይኑ፡ ቲቢ ጆሽዋ ኦኮየ ንዝተባህለት ሰበይትን ካልኣይታን 16 ግዜ ክጸፍዓን \"ዝርብሸኪ መንፈስ ኣብ ውሽጥኺ ኣትዩ ኣሎ። ናይ ሰበይቲ መንፈስ እዩ\" ከም ዝብላ 'ኦፐን ደሞክራሲ' ይነግር። ኣብቲ እቲ ገጽ ቅድሚ ምዕጻው 1.5 ሚልዮን ግዜ ዝተራእየ ቪድዮ፡ እታ ሰበይቲ ጸኒሓ ኣብ ቅድሚ እቲ ጉባኤ \"ናይ ሰበይቲ መንፈስ\" ህይወታ ከም ዘበላሸዎን እቲ ሰባኺ ምስ ጸለየላ ከም ዝተፈወሰትን ክትዛረብ የርእይ። ንሳ ወሲኻ ንደቂ ኣንስትዮ ዝነበራ \"ፍትወት\" ከም ዝጠፍአን \"ሕጂ ናይ ሰብኡት ፍትወት ከም ዝሓደራን\" ትዛረብ። መስራቲ 'ሲናጎግ፡ ቤተክርስትያን ናይ ኩሎም ህዝብታት' ዝኾነ ቲቢ ጀሽዋ ሓደ ካብቶም ኣብ ናይጀርያ ፍሉጣት ብቴለቪዥን ዝሰብኹ ወንጌላውያን ኮይኑ ዘይከም እቶም ካልኦት ምርኡይ ኣይኮነን። ኣብቲ ዝዓበየት ከተማ ሌጎስ ናይጀርያ ዝርከብ ሰሙናዊ ኣገልግሎቱ ብኣሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ይሳተፉ። ኣብቲ ናቱ ኣገልግሎት ኤችኣይቪ\/ኤይድስ ዝርከቦም ኩሉ ዓይነት ሕማማት ከም ዝፍወስ ስለዝንገር ሰባት ካብ ዙርያ ዓለም ናብኡ ይውሕዙ። ሰዓብቱ \"ነቢይ\" ኢሎም ዝጽውዕዎ ጆሽዋ 'ኢማኑዌል ቲቪ' ዝበሃል ናቱ መደበር ቴለቪዥን ክህልዎ እንከሎ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ፤ ኣመሪካ፡ ብሪጣንያን ደቡባዊ ኣመሪካን ብተደጋጋሚ ይንቀሳቐስ። ኣብ 2014 ሓደ ካብ ህንጻታት እቲ ቤተክርስትያን ብምፍራሱ ብዙሓት ደቡብ ኣፍሪቃውያን ዝርከብዎም 116 ሰባት ሞይቶም እዮም።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56783891"} {"headline":"ኣፍሪቃ ንማእከላይ ምብራቕ ተኪኣ 'ምድረ ኵናት ጂሃድ' ክትከውን ዶ ትኽእል?","content":"ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዓስኪሮም ዝነበሩ ኣስታት 300 ወተሃደራት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ናብታ ማእከል ምንቅስቓስ እስላማዊ ሓይሊ (ኣይ ኤስ) ኮይና ዘላ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ማሊ ግዒዞም ኣለው። እቲ ሓይሊ ኣብቲ 'ኒውኮምብ' ዝተሰምየ ብሰራዊት ፈረንሳ ዝምራሕ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽአ ኣስታት 15ሽሕ ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ዝሓቁፍ ናይ ሰለስተ ዓመት ወፍሪ ምጽራይ ጂሃዲስት ኣብ ሳሕለ ሰሃራ ንምስታፍ እዩ ተንቀሳቒሱ። ማሊ፡ ሓንቲ ካብተን እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ምንቅስቓስ እስላማዊ ጥሩፍነት ዝምክታ ዘለዋ ሓያሎ ሃገራት ሳሕለ ሰሃራ ኣፍሪቃ እያ። ብመሰረት እቲ ብ 25 ታሕሳስ 2020 ዝተሓትመ መጽናዕቲ 'ግሎባል ቴሮሪዝም ኢንደክስ'፡ ማእከል ስሕበት እስላማዊ ግዝኣት ካብ ማእከላይ ምብራቕ ናብ ኣፍሪቃ ብመጠኑ እውን ናብ ደቡብ ኤሽያ ከምዝሰገረ የመልክት። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብኣይሲስ ኣብ ሃገራት ሳሕለ ሰሃራ ዘጋጥም መጠን ሞት ናብ 67% ከምዝዛየደ እቲ መጽናዕቲ የረድእ። እቲ ጸብጻብ፡ ምስ ኣይሲስ ዝተኣሳሰር ዝርገሐ እስላማዊ ጥሩፍነት ኣብ ሃገራት ሳሕለ ሰሃራ ንዘጋጥም ግብረ ሽበራ ከምዘንሃሮ ይጠቅስ። ኣብ ሸውዓት ካብ ዓሰርተ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ቡርኪና ፋሶ፡ ሞዛምቢክ፡ ዴሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎ፡ ማሊ ኒጀር ካሜሮንን ኢትዮጵያን ዝርገሐ ግብረ ሽበራ ከምዝወሰኸን ኣብ 2019 ጥራሕ፡ ኣብ ሃገራት ሳሕለ ሰሃራ ምስ ኣይሲስ ብዝተኣሳሰር መጥቃዕቲ ግብረ ሽበራ ኣስታት 1000 ሰባት ከምዝሞቱን እቲ ሓበሬታ የርኢ። ካልኣይ መድረኽ ቃልሲ ኣንጻር ግብረ ሽበራ እስላማዊ ጥሩፋት ጉጅለ (ጂሃዲስት)፡ ኣብ ኣፍረቃ ካብ ነዊሕ እዋን እዮም ክንቀሳቐሱ ጸኒሖም። ቀንዲ መራሕ ኣልቃዒዳ ነበር ኦሳማ ቢን ላደን ኣብ 1996 ናብ ኣፍጋኒስታን ቅደሚ ምግዓዙ ቀንዲ መደበሩ ሱዳን እዩ ነይሩ። እቲ ኣብ 2014 ካብ ቺቦክ ናይጀርያ፡ ተማሃሮ ደቀንስትዮ ብምጭዋዩ ዝፍለጥ ቦኮ ሓራም ኣብ 2010 እዩ ኣብታ ሃገር ጂሃድ ኣዊጁ። ሕጂ ግን ኣብታ ኣህጉር ብዝተፈለላየ ተወዳደርቲ ጉጅለታት ጂሃድ: ንጥፈታት ግብረ ሽበራ መመሊሱ ይዛይድ ኣሎ። ኣወሃሃዲ ክፍሊ ጸረ ግብረ ሽበራ ኣመriካ ኣምባሳደር ናታን ሳለስ፡ ንጥፈታት ኣይሲስን ኣልቃዒዳን ካብቲ ቀንዲ መደበረን ሶርያን ዒራቕን ናብ ምዕራብን ምብራቕን ኣፍሪቃን ኣፍጋኒስታንን ከምዘግዓዘ ሓቢሩ። “ኣፍሪቃ እታ ቀንዲ ካልአይቲ ግንባር ኣንጻር ግብረ ሽበራ ትኸውን ኣላ” ክብል ተዛሪቡ። እቲ ኵናት፡ ዕጡቓት ተቓወምቲ ኣንጻር መንግስታት ኣይኮነን። ኣብ መንጎ ኣልቃዒዳን ኣይሲስን እውን ሞትን ዕንወትን ዘኸትል ቀታሊ ንጥፈታት ግብረ ሽበራ ኣሎ። ፈረንሳዊ ኣማኻሪ ኣንጻር ግብረ ሽበራ ኦሊቨር ጒዩታ “ኣፍሪቃ ኣብ ዝመጽእ ዕስራ ዓመት ንማእከላይ ምብራቕ ብምትካእ ቀንዲ ዓውደ ኵናት ንጥፈታት ግብረ ሽበራ ክትከውን እያ” ክብል ተነብዩ። ኣልቃዒዳን ኣይሲስን ኣልቃዒዳን አይኤስን “ከሓድቲ” ኣብ ዝብልዎም ብምዕራባውያን ንዝድገፉ ዓለማውያን ገዛእቲ ናይ ሓባር ጽልኢ እኳ እንተለዎም፡ ኣብ ኣቀራርባኦም ሓደ ሓደ ነጥብታት ርኡይ ፍልልይ ኣለዎም። አይኤስ፡ ክሳድ ሰባት እናተሰየፈ ዘርኢ ጎንጽን ግጭትን ዝቕስቅስ ሓደገኛ ቪድዮታት ብምዝርጋሕ ዝፍለጥ ሕሉፍ ኣኽራሪ ጉጅለ እዩ። እቲ ተግባር፡ ማሕበራዊ ጸገማት ዘለዎም ገበነኛታት ናብ ጎድኑ ንኽስለፉ ዘተባብዕ እኳ እንተኾነ፡ ንብዙሓት ኣመንቲ ምስልምና ግን ዘህድም ተግባር እዩ። አልቃዒዳን መሰልቱን ግን ንልባት እቶም ኣብ መንግስቶምን ምምሕዳራቱን እምነት ዘይብሎም ሕብረተሰብ ንምኽሳብ እዮም ዝጽዕሩ። እተን ኣብ ሓደጋ ዘለዋ ቀንዲ ሃገራት ኣየኖት እየን? ማሊን ሳሕልን ብዙሓት ካብተን ካብ ዓለምና ዝደኸያ ሃገራት ምስ ሰሃራ ይዳወባ። እቲ “ሳሕል” ዝብል ቃል ብቋንቋ ዓረብ ገማግም ማለት እዩ። እቲ ዞባ ከኣ “ሳሕለ ሰሃራ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። እተን ነቲ ዞባ ሳሕለ ሰሃራ ዘቑማ ሃገራት፡ ማሊ፡ ቻድ፡ ኒጀር፡ ቡርኪናፋሶን ማውሪታንያን እየን። ኩለን ከኣ ብመጥቃዕቲ ግብረ ሽበራ ዝሽገራ ሃገራት እየን። እቲ ዞባ ብደርቂ፡ ድኽነት፡ ሽቕለተ ኣልቦነት፡ ብልሽውና ዝተጠቕዐ እዩ። ኣብ ገሊኡ እውን ካብ መንግስታዊ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኾነ ሰፊሕ ቦታ ኣሎ። መንግስታት ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ መሬታዊ ግዝኣቶም ኮነ ብገዛእ ሰራዊቶም ኣብ ግዝኣቶም ዝፍጸም ዓመጽን ግህሰትን ክቆጻጸሩ ከምዝጽገሙ ኣምባሳደር ሴልስ ይገልጽ። ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ዓብላሊ እስላማዊ ጉጅለ ጂሃድ፡ እቲ ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ዘለዎ፡ ጃሚዓ ኣት ኑስራት ኣል-ኢስላም ዎል ሙስሊሙን ( (JNIM) ዝበሃል እዩ። ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ እዚ ጉጅለ’ዚ፡ ምስቲ ምስ ኣይሲስ ጽኑዕ ምትእስሳር ዘለዎ፡ ኣብ ምድረ ሰሃራ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ ብዙሕ ሳዕ ተዋጊኡ ኣሎ። ናይጀርያ ኣብ'ቲ ከባቢ ዝለዓለ መጥቃዕቲ ግብረ ሽበራ ዘጋጥማ ዘሎ ሃገር ናይጀርያ እያ። መንግስቲ ናይጀርያ ነቲ ብቦኮ ሓራም ዝፍለጥ ጂሃዳዊ ምንቅስቓስ ዝተመስረተሉ ሰሜናዊ ምብራቕ ክፋል እታ ሃገር ንምቁጽጻር ከኣ ኣብ ቀጻሊ ጻዕሪ ይርከብ። ብመሰረት መረዳእታ ዓለም ለኻዊ ተርታ ግብረ ሽበራ፡ ቦኮሓራም፡ ካብ 2011 ኣትሒዙ፡ ኣብ ናይጀርያን ጎረባብቲ ሃገራትን፡ ምስ ኵናት ብዝተኣሳሰር ሞት ልዕሊ 37,500 ሰባት፡ ምስ ግብረ ሽበራ ብዝተኣሳሰረ ድማ ንሞት ልዕሊ 19 ሽሕ ሰባት ተሓታቲ እዩ። ኣብ 2015 ምስ ኣይ-ኤስ ክሰርሕ ቃል ዝኣተወ ሓደ ጉጅለ ካብ ቦኮ ሓራም፡ “ናይ ምዕራብ ኣፍሪቃ እስላማዊ መንግስቲ” እየ ብምባል፡ ዶባት እቲ ኸባቢ ብቐሊሉ ብምስጋር ኣብ 2018 ኣብ ቀላያት ጫድ ድልዱል መዓስከር ኣቚሙ ይርከብ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ አይ ኤስ ነዚ ኣብ ኣፍሪቃ ዝተራእየ ምትሕብባር ብቐጻሊ ክዛረበሉ ጸኒሑ ኣሎ። ሕጂ እውን ብቦኮ ሓራም ቀጻሊ መጥቃዕቲ ይካየድ ኣሎ። እቲ ጉጅለ ብ 01 ታሕሳስ 2020 ኣብ ዝዘርገሖ ቪድዮ፡ ቦርኖ ኣብ ዝተባህለ ግዝኣት ናይጀርያ ምስ መንግስቲ ተሓባቢሮም ንዝበሎም ብደርዘን ንዝቑጸሩ ሓረስቶት ብምቕታል ሓላፍነት ወሲዱሉ ኣሎ። ሃገራት ምዕራብ፡ ንናይጀርያ ውሑድ ወተሃደራውን ጸጥታውን ደገፋት እየን ዝገብራላ። ዲፕሎማሰኛታት ምዕራብ ኣብ ሰራዊት ናይጀርያ ብዘሎ ሕሉፍ ብልሽውናን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ተማሪሮም እዮም። እቲ ኣብ ናይጀርያ ዘሎ ኩለንትናዊ ብልሽውና ኣብ መንግስቲ እምነት ብምጥፋእ ቦኮ ሓራም ኮነ ካልኦት ጉጅለታት ጂሃድ ከምድላዮም ሰባት ከዕጥቑን ኣረኣእያኦም ከስፍሑን ዕድል ከምዝኸፈተ ኦሊቨር ጉታ ይዛረብ። ሰሜን ኣፍሪቃ ምንቅስቓስ ኣልቃዒዳ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ኣብ ኣልጀርያ እዩ ጀሚሩ። ስለዝኾነ እቲ ሓዲሽ መራሕ ኣልመቕርብ ኣልቃዒዳ ኣልጀርያዊ ምዃኑ ዘገርም ኣይኮነን። ነቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ብሰራዊት ፈረንሳ ኣብ ማሊ ዝተቐትለ ንአብዴልማልክ ድሩቅደል ዝተከአ እቲ ጻዕዳ ዝጭሕሙ ወዲ 51 ዓመት አቡ ኦባይዳ አል-ነቢ እዩ። ይኹን እምበር ኣልቃዒዳ ንሽመት ኣቡ ኦባይዳ ብሓጎስ ክቕበሉዎ እንከለው፡ እቲ ተቐናቓኒኦም ኣይሲስ ግን ንኦባይዳ ኣብ ጂሃዲነቱ ጥራጣረ ከምሓደሮ ክገልጽ ጸኒሑ ኣሎ። ካብ 2013-2018 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ካብታ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝነኣሰት ሃገረ ቱኒዝያ ካብ 15-20 ሽሕ ዝገማገሙ ወለንተኛታት ሰባት ምስ ኣይሲስ ክስለፉ ናብ ሶርያ ከይዶም። ኣብታ ሃገር ብዘሎ ልዑል ሽቕለተ ኣልቦነት ቱኒዝያ ብቐጻሊ ስግኣት ግብረ ሽበራ የጋጥማ። ጎረቤት እታ ድሕሪ ውድቀት መንግስቲ ሙዓመር ጋዳፊ ርጉእ መንግስቲ ክትምስርት ዘይከኣለት ሃገረ ሊብያ ብምዃና እውን ካልእ ጸገም እዩ። እቲ ካብ መንግስቲ ሊብያ ዝተማረኸ ብኣሽሓት ቶናት ዝግመት ኣጽዋርን ተተኳስን ነቶም ኣብ ሃገራት ሳሕለ ሰሃራ ተዘርጊሖም ዝርከቡ ኣባላት ኣይኤስ ድልዱል ዕጥቂ ኮይኑዎም። ኣብ ምብራቓዊ ሊብያ ቦታ ክረኽቡ እውን ዕድል ፈጢሩሎም። ሶማልያ እቲ ብዓረብ “መንእሰያት” ዝብል መርሖ ዘለዎ ናይ ሶማልያ ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ኣብታ ኣህጉር ካብ ዘሎ ጂሃዳዊ ምንቅስቓስ እቲ ሓደገኛን ዝደልደለን እዩ። ናታን ሴልስ፡ “ኣልሸባብ ንነብሱ ሓደ ካብቶም ዕውታት ጉጅለ ናይ ኣልቃዒዳ ገይሩ እዩ ዝርእያ” ክብል ይገልጾ። ኣልሸባብ፡ ኣንጻሩ ንዝተገብረ ኩለንትናዊ ወፍሪ ዝተፈላለያ ሃገራት በዲሁ ኣብ ኬንያን ዩጋንዳን መጥቃዕቲ ዘካየደን ኣብ ሞቓዲሾ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ቦምባ ዘካይድ ሓያል ጉጅለ እዩ። ናይ ኣመሪካ ፍሉይ ናይ ስርሒት ሓይሊ ካብ ጂቡቲ ብዝብገሳ ድሮን (ሰብ ኣልቦ ነፋሪት) ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ብምክያድ ንሓያሎ መራሕቲ ቀቲሉ ከብቅዕ፡ ኣልሸባብ ሓለፍቲ እናተከአ ክሳብ ሕጂ ጸኒዑ ዝቕጽል ዘሎ ጉጅለ እዩ። ኣብ ርእሲኡ ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝቀላቐል ዘሎ ምስ ኣይኤስ ዝምድና ዘለዎ እስላማዊ ሓይሊ ዝበደሀን ዘርሓቐን ሓይሊ እውን እዩ። ሞዛምቢክ ኣይሲስ፡ ኣብ ሰሜናዊ ኣውራጃ ካቦ ዴልጋዶ ሞዛምቢክ፡ “እስላማዊ መንግስቲ ኣብ ኣውራጃ ማእከላይ ኣፍሪቃ” (ISCAP) ብዝብል ጭርሖ ረኺቡዎ ዘሎ ካብ ዝተቐናበረ ዓመጽን ሽበራን እዩ። ሰበ-ስልጣን ጸረ ሽበራ ሞዛምቢክ፡ እቶም ኣብቲ ዝዓበየ ዕደና ጋዝ እታ ሃገር ተሰዊሮም ክሰርሑ ዝጸንሑ ጂሃዲስት ኣብ ዶባት ታንዛንያ ካብ ዝርከብ ቦታ ዝተኸትቡ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይኣምኑ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ግዜ ኣብ ካቦ ዴልጋዲ፡ ኣይሲስ ፈጺሙዎ ዝበሃል ጨካን ቅትለት ነንሓድሕዱ ዝገራጮ ሓቅታት እኳ እንተሎ፡ ኣብ መጻወቲ ሜዳ ኩዕሶ 50 ሰባት ከምዝቐትሉ ሓበሬታ ኣሎ። ኣይሲስ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ዕንቅፋትን ተጻብኦን ልዕሊ ሓይልታት መንግስቲ ካብን ናብን ሞዛምቢክ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ኦሊቨፈር ጊታ ይሕብር። ጭውያን - ገንዘብቤዛን (ራንሳም) እዚ ኣዝዩ ተኣፋፉን ኣዘራራብን ጉዳይ እዩ። ኣብ ሰነ 2013 ኣብ ብሎክ ኤርኔ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ብጉጅለ ሸውዓተ (G7) ዝፍለጡ መራሕቲ ሸውዓተ ሓያላን ሃገራት ዓለም፡ ብጉጅለ ኣሸበርቲ ንዝሕተት ዝኾነ ይኹን ዓይነት ገንዘባዊ ክፍሊት ክኸፍሉ ከምዘይብሎም ስምምዕ ፈሪሞም። ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ከምዝተራአየ፡ ዝበዝሑ፡ ብጉጅለ ኣሸበርቲ ዝተጨውዩ ዜጋታት ኤውሮጳ ብዘይፍለጥ ምኽንያት ክፍትሑ እንከለው መብዛሕቶም ዜጋታት ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ግን ይቕተሉ እዮም። ኣብ ሳሕለ ሰሃራ ብጂሃድ ዝተጨውዩ ሓያሎ ዜጋታት ፈረንሳ ምስቶም ኣብ ማሊ ተታሒዞም ዝጸንሑ ሓደገኛታት ኣባላት ምንቅስቓስ ጂሃድ ብለውጢ ተፈቲሖም ኣለው። ተኸታተልቲ ፖለቲካን ጸጥታን ሰሜንን ምዕራብን ኣፍሪቃ ከምዝብልዎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ልዕሊ 100 ሚልዮን ዩሮ (120 ሚልዮን ዶላር፡ 90 ሚልዮን ፓውንድ) ንጂሃዳውያን ጨወይቲ ተኸፊሉ። እቲ ንጂሃዳውያን ዝኽፈል ገንዘብ ቤዛ (ራንሳም) ከኣ እቶም ግብረ ሽበራውያን ዝተፈላለየ ኣጽዋርን ነታጒን፡ ዝሓሻ ተሽከርከርትን ዕጥቅን፡ ብቐትርን ለይትን ብርሕቀት እትንጽረሉ ኪሻፋ፡ ናይ ርክብ መሳርሒ ከምኡ እውን ንታዕሊምን ስልጠናን ከምኡ እውን ንብልሹዋት ሰበስልጣን ንምኽፋልን ይጥቀምሉ። ብኣጋ ዘይዕረ ሽግር ስለዚ ከም'ቲ ሓደ ሓደ ተነበይቲ ዝብልዎ፡ ኣፍረቃ፡ ልዕሊ ማእከላይ ምብራቕ፡ ዓውደ ትያትር ጂሃዳዊ ምንቅስቓስን ንጥፈታት ግብረ ሽበራን ክትከውን ትኽእል’ዶ ትኸውን? እዚ ነገር እዚ ብዙሕ ረቛሒታት ዝሓትት እኳ እንተኾነ፡ ጽሬትን ብቕዓትን ምምሕዳር እቲ ቀንድን ኣገዳስን ነገር እዩ። ፍታሕ ጂሃዳዊ ሽበራ፡ ዝሓሸ ፖሊስን ጽኑዕ ምቁጽጻር ዶባትን ጥራሕ ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ንኹሉ ህዝቢ ዘርግእን ዘዕግብን ምዕሩይ ቁጠባዊ ዕድላትን ናጻ ተሳትፎ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያትን ክህሉ ኣለዎ። ሽዑ ጥራሕ እዮም ሰባት ካብ ዓመጻዊ ተግባራት ክቑጠቡን ነብሶም ክሕይቡን ዝጅምሩ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55408002"} {"headline":"\"ተጨውዮም ዝነበሩ ኣማኢት ተመሃሮ ተፈንዮም\"፡ ሰብ መዚ ናይጄርያ","content":"እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ዝተጨወዩ ኣማኢት ተማሃሮ ነጻ ከም ዝተፋነዉ ሰብ መዚ ናይጀርያ ንቢቢሲ ሓቢሮም። ወሃቢ ቃል ኣማሓዳሪ ዞና ኪትሲና ዓብዱል ላባራን ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ 344 ተማሃሮ ነጻ ከም ዝተለቐቁን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከም ዘለዉ ንቢቢሲ ገሊጹ። እንተኾነ፡ ገለ ጸብጻባት ገለ ካብቶም ተማሃሮ ምስቶም ጨወይቲ ከም ዘለዉ ይሕብሩ ኣለዉ። እቲ ጭውያ ኣብ ናይጀርያ ዝንቀሳቀስ እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ቦኮ ሓራም ከም ዝፈጸሞ ብምሕባር፡ ድሕሪ ምጭዋይ እቶም ተመሃሮ ናይቶም ዝተጨወዩ ተመሃሮ ምስሊ ዘርኢተንቀሳቓሲ ምስሊ ምዝርግሑ ይዝከር። ወሃቢ ቃል ኣማሓዳሪ ዞና ኪትሲና ዓብዱል ላባራን ኣብ መግለጺኡ፡ እቶም ተማሃሮ ናብ ርእሰ ኸተማ ዞባ ኪትሲና ተወሲዶም ከም ዘለዉን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ምስ ስድርኦም ክራኸቡ ምዃኖምን ኣብሪሁ። እቲ ወሃቢ ቃል፡ እቲ ብቦኮ ሓራም ዝተዘርግሐ ምስሊ ናይ ብሓቂ ናይቶም ተማሃሮ ምንባሩ ብምእማን፡ እቲ ናይ ላዕለዋይ ሓላፊ ቦኮ ሓራም ኣቡበከር ሸኩዋ ተባሂሉ ዝተዘርገሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ግን ብምስሊ ካልእ ሰብ ዝተመስረሐ እዩ ኢሉ። ቦኮ ሓራም፡ ብዝሒ ጨዊናዮም ዝበልዎም ተማሃሮ ምስቲ ሰብ መዚ ተጨውዮም ዝበልዎ ብዝሒ ዝውሓደ ስለ ዝኾነ ኩሎም እቶም ተማሃሮ ብድሓን ይህልዉ'ዶ ዝብል ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ። ኣመሓዳሪ ዞባ ኪትሲና ኣሚበኑ ቤሎ ማሳሪ “ንዝበዝሑ ተማሃሮ ነጻ ኣውጺእናዮም ኢና፡ ኩሎም ነጻ ኣይወጽኡን” ኢሉ ብምባል ሮይተርስ ገሊጹ ኣሎ። ገለ ምንጭታት’ውን ምስቶም ጨወይቲ እተረፉ ተማሃሮ ከም ዘለዉ ንኤኤፍፒ ሓቢሮም። ወሃቢ ቃል ኣማሓዳሪ ዞና ኪትሲና ዓብዱል ላባራን ብወገኑ ካብቶም ተማሃሮ ዝተቐተለ ከም ዘየለ እኳ እንተገለጸ፡ ኣብቲ ብቦኮ ሓራም ዝተፈነወ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ እቶም ተመሃሮ ብነፈርቲ ናይጀርያ ዝተቐተሉ ተማሃሮ ከም ዘለዉ ክዛረቡ ይስምዑ እዮም። እዞም ተመሃሮ፡ ከመይ ኢሎም ነጻ ከም ዝወጽኡ'ኳ እንተዘይተገለጸ፡ ምፍታሕ እቶም ተመሃሮ ግን ቢቢሲ ካልእ ሰብ መዚ ናይጄርያ ብምውካስ ከረጋግጾ ክኢሉ እዩ። እቲ ጭውያ ናይ ተመሃሮ ከመይ እዩ ተፈጺሙ? ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከም ዝሓበርዎ፡ ብረት ዝዓጠቑ ጉጅለ ብዓርቢ ናብ ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ከተማ ካናካራ ብምእታው ነቲ ቤት ትምህርቲ ተቆጻጺረሞ። ቶክሲ ዝሰምዑ ገለ ተማሃሮ ሓጹር እቲ ቤት ትምህርቲ ብምዝላል ክሃድሙ ክኢሎም። እቶም ሰብ ብረት፡ ናይ ናይጄርያ ኣካላት ጸጥታ ኢና ስለ ዝበልዎም ግን ገለ ተማሃሮ ኣሚነሞም ከም ዝተመለሱ ካብቶም ዝሃደሙ ተመሃሮ ሓቢሮም። እቶም ተመሃሮ ምስ ተኣኻኻቡ እቶም ሰብ ብረት ከቢቦም ናብቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ጫካ ሒዘምዎም ኣትዮም። ብድሕሪ እዚ ቦካ ሓራም ነቶም ተማሃሪሮ ስኢሉ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሩ ከም ዘለዉ ገሊጹ። ሓደ ካብቶም ተመሃሮ ብቦኮ ሓራም ከም ዝተጨወዩን፡ እቶም ንዕኦም ነጻ ከውጽኡ ዝምጽኡ ዘለዉ ሰራዊት ናይጄርያ ክምለሱ እናተማሕጸኖም ይስማዕ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55359708"} {"headline":"ሌጎስ፡ ንዘይተመርዓዋ ደቂ ኣንስትዮ ገዛ ዘይተካሪ ከተማ","content":"ጓል 36 ዓመት ኢዶንጌሲት ኣብ ሓደ ትካል ሓላፊት ክፍሊ ሒሳብ እያ። ኣብ ዓባይ ከተማ ናይጄሪያ ዝኾነት ሌጎስ ሓድሽ ስርሓ ንምጅማር ፈለማ ክትመጽእ ከላ፡ ብውልቃ ገዛ ምክራይ ኣጸጋሚ ከም ዝኾነ ትሰምዕ። ጓል ኣንስተይቲ: እሞ ድማ ዘይተመርዓወት ስለ ዝኾነት ዋናታት ገዛ ንከካርዩዋ ገለ መዐሸዊ መገዲ ክትጥቀም ከም ዘለዋ መሓዙታ ይነግርኣ። \"ገዛ ክካረ ክኸይድ እንከለኹ ምስ ወዲ ተባዕታይ ክኸይድ ከም ዘለኒ ነጊረናኒ። እዚ ዋላ'ውን ኣኮይ: ወይ ወዲ ተባዕታይ መሓዛይ ክኸውን ከም ዝኽእልን ሓዲኦም ምስ ኣካረይቲ ወይ ደለልቲ ብቐጥታ ከም ዝዘራረቡን ተነጊሩኒ\" ትብል። ሌጎስ፡ ኣዝያ ዝተጨናነቐት ከተማ ኮይና ተባዕታዊ ኣተሓሳስባ ዝነገሰላ'ያ። ካብዚ ብዝብገስ ኣብታ ከተማ ዘለው ኣካረይቲ ገዛ ኣብ ልዕሊ ዘይተመርዓዋ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዎም ኣመለኻኽታ ቅኑዕ ኣይኮነን። ዳርጋ ኩሎም ንዘይተመርዓወት ጓል ኣንስተይቲ ገዛ ኣየካርዩን። ስለ ዝኾነ ድማ ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ወዲ ተባዕታይ ሒዛ ክትቐርብ ኣለዋ። እዚ 'ንሽፋን' ዝመጽአ ሰብኣይ ከኣ ምስቲ ኣካራዪ ስምምዕ ገይሩ ናይ መጀመርታ ክፍሊት ይፍጽም፤ ድሕሪ ግዜ ኣገዳስነቱ እናሃሰሰ ይመጽእ። \"እቶም ገዛ ንክንካረ ዝተሓጋገዙና ደቂ ተባዕትዮ ምህላዎም ንከርእዩ ንሓደ፣ ክልተ፣ ሰለስተ ወይ ሽዱሽተ ወርሒ ናብ ገዛና ይመላለሱ። እዚ ብምርኣይ እቶም ኣካረይቲ ምህላዎም ምስ ኣረጋገጹ ምምጻእ ክገድፉዎ ይኽእሉ። ሽዑ ተፈላሊና ኢና'ውን ክትብል ትኽእል\" ትብል። ኣብዛ ተባዕታዊ ኣረኣእያ ጎሊሑ ዝወጽአላ ከተማ ሌጎስ፡ ኣስታት 20 ሚሊየን ህዝቢ ከም ዝነብር ይግመት። እዚ ልዑል ጠለብ ገዛ ከኣ ኣካረይቲ ኣብ ልዕሊ ተኻረይቲ ዘይምዕሩይ ስልጣን ክህልዎም ገይሩ። ብዙሓት፡ ኣቐዲሞም እዮም ናይ ሓደ ዓመት ክፍሊት ገዛ ክራይን ናይ ደላልን'ዮም ዝቕበሉ። ብዙሓት ዘይተመርዓዋ ደቂ ኣንስትዮ ግን ዋላ'ውን እዚ ጠለብ ከማልኣ እንተኽኣለ፡ ገዛ ዘካርየን ኣይረኽባን። ጓል ኣንስተይቲ ገዛ ክራይ ክትከፍል ኣይትኽእል ካብ ዝብል ግጉይ ርድኢት መብዛሕትኦም ኣካረይቲ ከም ዝኽልክሉወን ይዝረብ። ብኻልእ ወገን፡ ሓዳር ዘይገበረት ጓል ኣንስተይቲ ክሳብ እትምርዖ ምስ ወለዳ ክትነብር ኣለዋ ብዝብል'ውን ፍቓደኛታት ኣይኮኑን። እታ ጓል ኣንስተይቲ ገዛ ክራይ ክትከፍል ከም እትኽእል እንተፈለጡ'ውን፡ ሰብኣይ ሰብኣይ ዝጨኑ ነገር'ማ ክህሉ ኣለዎ ብዝብል፡ እቲ ክፍሊት ብወዲ ተባዕታይ ክፍጸም ይሓቱ። ጓል 32 ዓመት ክኢላ ማሕበራዊ ዕዮ ዳሚሎላ ኦሉሾላ ናብ ስርሓ ቐረባ ዝኾነ ገዛ ትደሊ፤ ግን ድማ ቀሊል ኣይኮነን። \"ካብ ታሕሳስ ጀሚረ ገዛ ክቕይር ደልየ፤ ግን ክሳብ ሕጂ ክረክብ ኣይክኣልኩን\" ትብል። እታ ዘካረየታ ሰበይቲ ናይ ክራይ ውዕላ ኣብ ወርሒ መጋቢት ስለ ዝወድአ ክትወጽእ ትጭቕጭቓ እያ ዘላ። ክትጸንሕ እንተኾይና ከኣ ተወሳኺ ናይ ሓደ ዓመት ክትከፍል ትግደድ። \"ክሳብ ሕጂ ገዛ ይደሊ ኣለኹ፤ እቶም ደለልቲ ከኣ እቲ በዓል ገዛ ዘይተመርዓወት ጓል ኣንስተይቲ ኣይደልን ይብሉኻ። እንተዘይኮይኑ ሕጹይ ክህልዋ ኣለዎ ይብሉ\" ትብል። በዚ ምኽንያት ሓደ መሳርሕታ ዝኾነ ወዲ ተባዕታይ ነቲ መካረይቲ ዝደልዩዎ 'ሽፋን' ኮይኑ ክቐርበላ ትሓስብ ኣላ። ኢዶንጌሲት ገዛ ክትካረይ እንከላ ኣፍቃሪኣ ዝነበረ ወዲ ተባዕታይ ዳርጋ ዋሕስ ኮይኑ ሓጊዙዋ። ግን ድሕሪ ሰሙን እቲ ኣካረዪ ከም ዝተታለለ ስለ ዝፈለጠ ሰጒጉዋ። እቶም ደለልቲ፡ ድልየት ዋናታት ገዛ ንምምላእ ስለ ዝሰርሑ ደቂ ኣንስትዮ ዝደልይኦ ዓይነት ገዛ ክረኽባ ብዙሕ ኣይትሓጋገዙወንን። ኣብ ሪል ስቴት እትነጥፍ ኦጎንማ ኣርሁሬ፡ ዘይተመርዓወት ጓል ኣንስተይቲ፣ ካብ ሓዳራ ዝተፋትሐት፣ መበለት፣ ውላዳ ንበይና እተዕቢ ጓል ኣንስተይቲ ከምኡ'ውን ሰብኣያ ሓቢሩዋ ዘይነብር ጓል ኣንስተይቲ ገዛ ንምርካብ ኣዝየን ከም ዝጽገማ ትዛረብ። እቲ ጸገም ወነንቲ: ጓል ኣንስተይቲ ጸገም ከተምጽኣልና እያ ወይ'ውን ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ናብቲ ገዛ ከተመላልስ እያ ብዝብል ዝፈርዱወን ምዃኖም እዩ ኢላ። እዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ቀልጢፉ ክእለ እንተዘይክኢሉ፡ ህይወት ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ከመዛብል ከም ዝኽእል ስግኣተን ይገልጻ። ዘይተመርዓው ደቂ ተባዕትዮ'ውን ተመሳሳሊ ጸገም የጋጥሞም እዩ። \"ብዙሓት ከባቢታት ሌጎስ ኣጸገምቲ'ዮም\" ዝብል ኤዲተር ጋዜጣ እታ ሃገር ሳምሶን ቶሮማድ፡ \"ኣብታ ከተማ ዘሎ መስርሕ መካረይቲ ገዛ ነቲ ዘለኹዎ እውን ከይስእኖ ብዝብል ዘይዓገብካሉ ዓይነት ገዛ ክትካረ'ዩ ዘገድደካ\" ይብል። ኣብዚ እዋን ነዞም ከምዚ ዓይነት ጸገማት ዘለዎም :ዘይተመርዓው ሰባት ዝኸውን መፍትሒ ይመጽእ ኣሎ። ኣብ 2017 ዝተላለየ 'ስሊፕት' ዝተባህለ ቴክኖሎጂ ካብ ናይጄሪያ ሓሊፉ ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ በጺሑ ኣሎ። እዚ፡ ምስ ኣቑሑቱ ዝተማልአ ገዛ ኣብ ድረ ገጽ ከላሊ እንከሎ፡ ጓል ኣንስተይቲ ንምክራይ ዘውጽኦም ረቛሒታት የብሉን። ግቡእ ምጽራይ ድሕረ ባይታ ከም ዘሎ ዝዛረብ ምኽትል ፕሬዝደንት ቪክቶር ኢክዌሎር \"ግን ድማ ደቂ ኣንስትዮ ተጠቀምቲ: ካልእ ረቛሒታት ኣይሕተታን። መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ፍትሓዊ ብዝኾነ ኣገባብ ከተኣናግደን ዝኽእል ስርዓት ስለ ዘይነበረ፡ ኩነታት ሓዳረን ብዘየገድስ ጽቡቕ ናይ መንበሪ ቦታ ክረኽባ ኢና ንሰርሕ\" ኢሉ። ዋጋ እቶም ዝካረዩ ኣባይቲ ኣዝዩ ክቡር ምዃኑ ከኣ ንደቂ ኣንስትዮ ዝኸብደን ነገር እዩ። ኣብታ ከተማ ወርሓዊ ክራይ ገዛ ካብ 650 ዶላር ክሳብ 800 ዶላር እዩ ዝግመት። ኣብዚ እዋን ሰባት ካብታ ከተማ ውጽእ ኢሎም ዓቕሞም ማእከል ዝገበረ ገዛ ንክካረዩ ኣብ ህንጸት መገዲ ባቡርን መራኽብን ትኹረት ገይሩ ኣሎ። በዚ ምኽንያት ገለ ምምሕያሽ ዘርእዩ ዝንባለታት'ኳ እንተሃለው ሕብረሰተብ ናይጄሪያ ብሓፈሻ ግን ኣብ ልዕሊ ዘይተመርዓወት ጓል ኣንስተይቲ ዘለዎ ኣረኣእያ ጥርጣረ ዝተመልኦ'ዩ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ብዙሓት ናይ ማይ፣ መብራህትን ካልእ ጸገማትን ተጻዊረን ኣብታ ብገለ ኣጋጣሚ ዝረኸብኣ ገዛ ተጨቊነን ክነብራ ይግደዳ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57111434"} {"headline":"ኣዛዚ ሰራዊት ናይጄርያ ብሓደጋ ነፋሪት ሞይቱ","content":"ኣዛዚ ሰራዊት ናይጄርያ ሌተናል ጀነራል ኢብራሂም ኣታሂሩ ብሓደጋ ነፋሪት ከም ዝሞተ ተገሊጹ። እታ ነፋሪት ኣብ ሰሜን ምዕራብ ኣብ እትርከብ ግዝኣት ካዱንጋ ስለዝተሓምሸሸት እቲ ጀነራል ከም ዝሞተ ሰብ መዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም። ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ዓሰርተ ወተሃደራትን ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪትን’ውን ሞይቶም። ፕሬዝደንት እታ ሃገር መሓሙዱ ቡሃሪ ብሞት እቲ ኣዛዚ ከም ዝሓዘነ ብምግላጽ “በቲ ሓደጋ ዓᎁቕ ሓዘን ተሰሚዑኒ’ዩ” ዝብል መልእኽቲ ኣሕሊፉ። እቲ ፕሬዝደንት እቲ ሓደጋ “ሃገርና ዝበጽሓ ጸገም ድሕነት ንምእላይ ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ ዘጋጠመ ምዃኑ ዓብዪ ክሳራ’ዩ” ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። ወዲ 54 ዓመት ጀነራል ኢብራሂም ኣብ ወርሒ ጥሪ 2021 ኣዛዚ ሰራዊት ናይጄሪያ ኮይኑ ከም ዝተሾመ ተገሊጹ ኣሎ። መንግስቲ ንዓሰርታት ዓመታት ዝቃለሶም ዘለው ጅሃዳውያን ዕጡቓት ንምድምሳስ ሰራዊት እታ ሃገር ንምጥንኻር ብዝብል ከም ዝተሾመ እዩ ዝግለጽ። ምስ’ዚ ብዝተኣሳሰር ናይጄሪያ ሰራዊታ ተጠናኽር ምህላዋ ተሓቢሩ። ሓይሊ ኣየር ናይጄሪያ ብወገኑ እታ ነፋሪት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካዱና ክትዓርፍ ኣብ ዝፈተነትሉ ሓደጋ ከም ዘጋጠማ ሓቢሩ። ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ነፋሪት ሰራዊት ናይጄሪያ ሓደጋ ኣጋጢሙዋ ሸውዓተ ሰባት ከም ዝሞቱ ይዝከር።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57211233"} {"headline":"እስላማውያን ዕጡቓት ቦኮሓራም ኣብ ካሜሩን 14 ሰባት ቀቲሎም","content":"እስላማውያን ዕጡቓት ቦኮሓራም፡ ኣብ ሰሜናዊ ካሜሩን ከተማ ሞዞጎ፡ ኣብ ሓደ ለይቲ ብዝፈጸምዎ መጥቃቲ 14 ሰባት ቀቲሎም፡፡ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት ከምዝተዓወተ እኳ እንተገለጸ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብቲ ከባቢ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲታት ፈጺሞም እዮም፡፡ ነበርቲ እታ ከተማ እቶም ዕጡቓት ይመጹ ከምዘለዉ ምስ ሰምዑ ናብ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ዱር ከምዝሃደሙ ከንቲባ እታ ከተማ ይገልጽ፡፡ ኮይኑ ግና ምስቶም ነበርቲ ተመሳሲሉ ዝሃድም ዝነበረ ሓደ ርእሰ-ቅትለታዊ ኣባል ናይቶም እቶም ጂሃዳውያን ዕጡቓት፡ ነታጒ ኣፈንጂሩ 11 ሰባት ቀቲሉ፡፡ ቀጺሉ ድማ እቶም ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ተወሰኽቲ ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም፡፡ ወታሃደራት መንግስቲ ቀልጢፎም ግብረ መልሲ ክህቡ ከምዝፈተኑ ዝገልጽ ከንቲባ እታ ከተማ ቦካር ማጀወ፡ እቶም ዕጡቓት ናብቲ ህዝቢ ስለዝተሓወሱ ግን እቶም ወታሃደራት ክትኩሱ ከምዘይከኣሉ ተዛሪቡ፡፡ እቲ መጥቃዕቲ፡ ነቶም እስላማውያን ዕጡቓት ደምሲሰዮም እየ ዝብል ሓሳብ እቲ መንግስቲ፡ ኣብ ሕቶ ብዙሓት ካሜሩናውያን ክኣቱ ገይሩዎ ኣሎ፡፡","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55592410"} {"headline":"ናይጀርያዊት ንጎዚ ኦኮንጆ-ኢዊላ ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ዋና ዳይረክተር ውድብ ንግዲ ዓለም ኮይና","content":"ሚኒስተር ፋይናንስ ናይጀርያ ነበር፡ ንጎዚ ኦኮንጆ-ኢዊላ ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ዋና ዳይረክተር ውድብ ንግዲ ዓለም (WTO) ኮይና ተመሪጻ። እታ ፈላመይቲ ጓለንስተይቲ መራሒት ናይቲ ውድብ ኮይና ዘላ ኣፍሪቃዊት፡ ብምሉእ ድምጺ ኣኼባ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ናይቲ ውድብ'ያ ተሓርያ። ናይ ኣመሪካ ዜግነት ከምዘለዋ እትፍለጥ ዶ\/ር ኦኮንጆ-ኢዊላ፡ ኣካያዲት ዓለማዊ ባንክ ዝነበረት ምዃና'ውን ይፍለጥ። ካብ ቀንዲ ዝጽበይዋ ዓበይቲ ብድሆታት፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ንግዳዊ ምስሕሓባትን እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ዓጋቲ ንግዳዊ ፖሊሲታትን ከምኡ'ውን እቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣጋጢሙ ዘሎ ምድስካል ቁጠባ ዓለም ክኾኑ'ዮም። እቲ ነዞም ዓበይቲ ብድሆታት መፍትሒ ከይረኸበሎም ዝጸንሐ ውድብ ኣብ ቅልውላዉ ከምዝርከብ ተንተንቲ ይዛረቡ። ድሕረ-ባይታ ኦኮንጆ-ኢዊላ እታ ጓል 66 ዓመት ኦኮንጆ-ኢዊላ፡ ኣብ ሃገራን ኣብቲ ን25 ዓመታት ዝሰርሓትሉ ዓለማዊ ባንክን ዘዋህለለቶ ዓለምለኻዊ ተሞክሮታት ዘለዋ'ያ። ኣብቲ ባንክ ብሓላፍነት ኣብ እትሰርሓሉ ዝነበረት እዋን፡ ትሑት እቶት ንዝነበረን ሃገራት ዝድግፉ ተበግሶታትን፡ ንድኻታት ሃገራት ዝድግፍ ማዕከን ኣብ ምቛምን ዓቢ ተራ ከምዝነበራ ይንገረላ። ሓደ ካብ ቀንዲ ዝተዓወተትሉ ነገራት ድማ፡ ሃገራ ናይ 18 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ክስረዘላ ምግባራ'ዩ። እታ ሃገር ካብ 1980ታት ኣትሒዛ ዘዋህለለቶ ልዕሊ 35 ቢልዮን ዶላር ምንባሩ ይፍለጥ። እቲ ኣብ ሃገራ ዘተኣተወቶ ቁጠባዊ ጽገናታት ንቁጠባ'ታ ሃገር ዘድሓነ ምንባሩ ይግለጽ። እንተኾነ ግን፡ ብፍላይ ኣንጻር ናይቲ ኣብ ጽላት ቀንዲ ምንጪ ሃገራዊ እቶት ዝኾነ ነዳዲ ዝርአ ብልሽውና ዘካየደቶ ዕዉት ወፍሪ ዋጋ ኣኽፊሉዋ'ዩ። ኣብ 2012 ሓኪምን ፕሮፌሰር ስነሕብረተሰብን ዝኾነት ጥሮተኛ ጓል 82 ዓመት ወላዲታ፡ ካማነ ኦኮንጆ፡ ካብ ገዝኣ ተጨውያ ነይራ። ጨወይታ ድማ፡ እታ ሚኒስተር ካብ መዝነታ ክትወርድን ገንዘብ ክትከፍልን ጠሊቦም። እንተኾነ፡ ንጎዚ ኦኮንጆ-ኢዊላ ንክልቲኡ ጠለባቶም ነጺጋቶ። ድሕሪ 5 መዓልቲ ድማ ኣዲኣ ተፈቲሓ። ጭውያ ኣብ ናይጀርያ ልሙድ መዝማዚ ተግባር ምዃኑ ይፍለጥ። እታ ምርቕቲ ፍሉጥ ኣመሪካዊ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ዝኾነት ኦኮንጆ-ኢዊላ ኣብ 2006 ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ናይጀርያ ኮይና ኣገልጊላ ምንባራ'ወን ይዝከር። ኣብ ሰነ 2020 ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሃማዱ ቡሃሪ ዋና ኣካያዲት ውድብ ንግዲ ዓለም ክትከውን ሓጽዩዋ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56074486"} {"headline":"ናይጄሪያ፡ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ሌጎስ 'ልዕሊ'ቲ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ዝተመዝገበ ክኸውን ይኽእል እዩ'","content":"ኣብ ናይጀርያ ኣብ ዝተገበረ ኣፈናዊ ዳህሳስ ኣብ ዞባ ሌጎስ ጥራይ ዝተረኸበ መጠን መልከፍቲ ልዕሊ እቲ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ተመዝጊቡ ዘሎ መልከፍቲ ከም ዝኾነ ተገሊጹ። ክሳብ ሕጂ ተረኺቡ ብዘሎ ሓበሬታ ኣብ ናይጀርያ 153,000 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ ሞት 1,862 ኸኣ ተመዝጊቡ ኣሎ። እቲ ኣብ ናይጀርያ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣብ ኣርባዕተ ዞባታት እታ ሃገር ኣብ 10000 ሰባት ዝተኻየደ እዩ። እቲ መጽናዕቲ ኣብታ ካብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝቢ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ ሃገረ ናይጀርያ መጠን መልከፍቲ ኣብ ከመይ ደረጃ በጺሑ ኣሎ ንምፍላጥ ዓሊሙ'ዩ ተኻይዱ። እቲ መጽናዕቲ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ታሕሳስ፡ ኣብታ ሃገር ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከይጀመረ እንከሎ እዩ ካብ ሰባት ቅምሶ ብምውሳድ ተካይዱ። ኣብ ናይጄርያ ኣብ ወርሒ መስከረምን ጥቅምትን'ውን ብማእከል ምክልኻለን ምቁጽጻር ሕማማት ናይጄርያን ትካል መጽናዕቲ ሕክምናን መጽናዕቲ ተኻይዱ ነይሩ። ክልቲኡ እቲ መጽናዕቲ (ዳህሳስ) ኣብ እዋን ቀዳማይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ስለ ዝተኻየደ እቲ ቁጽሪ ትሑት ክኸውን ትጽቢት ከም ዝነበረ'ዩ ዝጥቀስ። እታ ሃገር ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝለዓለ ቁጽሪ መልከፍቲ ዘመዝገበትሉ እዋን ኣብ ወርሒ ጥሪ'ዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ ኣብ ሓደ መዓልቲ 1600 ሓዲሽ መልከፍቲ ተመዝጊቡ ነይሩ። ብዙሓት ሰባት በቲ ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ድማ ይግመት። ብመሰረት እዚ ሓዲሽ መጽናዕቲ ኣብ ዞባታት ሌጎስ፡ ኢንጉን ናሳራዋን ካብቶም ንፈተነ ቅምሶ ዝተወሰደሎም ሰባት ሓደ ካብ ሓሙሽት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ጸኒሖም። ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቅ ናይጀርያ እትርከባ ዞባ ጎምበ ኸኣ ሓደ ካብ ዓሰርተ በቲ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም። እቲ ለበዳ ካብ ኣብ ደቂ ኣንስትዩ ኣብ ደቂ ተባዕትዩ ከም ዝዛይድን ካብቶም ኣብ ገጠር ዝነበሩ'ውን እቶም ኣብ ከተማ ዝነብሩ ዝያዳ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ከም ዝጸንሑ እቲ ዝተረኸበ ውጽኢት የርኢ። ብመሰረት እዚ ዝተኻየደ መጽናዕትን ዝተረኸበ ውጽኢትን ካብቶም 186 ሚልዮን ህዝቢ ናይጀርያ እቶም ዝበዝሑ ኣብ ስግኣት መልከፍቲ ከምዝርከቡ እቲ ነዚ መጽናዕቲ ዘካየደ ትካል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ናይጄርያ ኣጠንቂቁ ኣሎ። ዳይሬክተር ጀነራል ምክልኻለን ምቁጽጻርን ሕማማት ናይጄርያ ዶክተር ቺከወ ኢህከዋዙ \"ካብ ሸሞንት ክሳብ ትሽዓተ ሚኢታዊት ህዝቢ እዘን ኣርባዕተ ዞባታት ነዚ ቫይረስ ተቃሊዖም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ እዩ እዚ መጽናዕትና ዘርኢ፤ በዚ መሰረት እዚ ክንጅምሮ ንሸባሸብ ዘለና ክታበት ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ብሩህ እዩ\" ኢሉ። ናይጄርያ ንክታበት ኣስተራ ዘኒካ ኣብታ ሃገር ኣብ ጥቅሚ ክውዕል ኣጽዲቃ ኣላ። እንተኾነ እቲ ክታበታት ምዓስ ከም እትቕበሎ ብንጹር ኣየቐመጠትን። ሰብ ሞያ፡ ክንደይ ሰብ ተቃሊዑ ኣሎን ኣበይን ዝብሉ ሕቶታት ክምልሱ እንተኺኢሎም እቲ ዝህልወካ ጸጋታት ኣበይ ከተውፍሮ ከም ዘለካ ንጹር ስእሊ ስለ ዝህበካ ኣዝዩ ሓጋዚ'ዩ ይብሉ። ብመሰረት እዚ ኣብ ናይጀርያ ተረኺቡ ዘሎ ውጽኢት እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ተመዝጊቡ ዘሎ መጠን መልከፍትን መጠን ሞትን ካብዚ ተገሊጹ ዘሎ ብዝተዓጻጸፈ ቁጽሪ ክዛይድ ከም ዝኽእል እዩ ዘርኢ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ኣፍሪቃ እኹል መርመራ ይግበር ስለዘየሎ መጠን መልከፍትን መጠን ሞትን ከምዚ ዝግለጽ ዘሎ ክኸውን ከም ዘይክእል'ውን ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56178820"} {"headline":"ብፕረዚደንት ናይጄሪያ ነበር ሳኒ ኣባቻ ዝተሰረቐ ቢሊዮናት ንምርካብ ዝነበረ ጉያ","content":"ብመስከረም 1999፡ ስዊዘርላንዳዊ በዓል ሞያ ሕጊ ኢንሪኮ ሞንፍሪኒ፡ ናይ 20 ዓመታት ህይወቱ ክቕይር ዝኽእል ጻውዒት ቴሌፎን ይበጽሖ። \"ኣብ ከውታ ለይቲ'ዩ ደዊሉለይ፤ ዝዀነ ዝጠቅም ነገር ስለ ዝነበሮ ናብቲ ዝዓረፍኩሉ ሆቴል ክትመጽኣኒ'ዶ ትኽእል ኢሉኒ። ኣነ'ውን ቁሩብ'ኳ መስዩ እንድዩ ግን ሕራይ ኢለዮ\"። እቲ ደዋሊ፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ናይዴሪያ'ዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን መንግስቲ ናይጄሪያ'ዩ ናብ ጄኔቫ ልኢኹዎ። ኦሊጋን ኦባሳንጆ ከኣ እቲ ፕሬዝደንት። እዚ ሰብ ንኣኼባ ዘይኮነ ተላኢኹ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ከምኡ'ውን ፕሬዝደንት ናይጄሪያ ሳኒ ኣባቻ፡ ዝሰረቖ ገንዘብ ኣሊሹ ንክረክብ'ዩ ነይሩ። ሳኒ ኣባቻ፡ ካብ 1993 ክሳብ 1998 ኣብ ስልጣን ጸኒሑ ሞይቱ። ሞንፍሪኒ ከም በዓል ሞያ ሕጊ፡ ካብ 1980ታት ጀሚሩ ኣብ ሕርሻ ቡን፣ ኮካን ካልኦትን ዝሰርሑ ናይጄሪያውያን ዓማዊል ኣጥርዩ'ዩ። ስለ ዝኾነ ከኣ ንሳቶም'ዮም ነዚ ጋሻ ልኢኾምሎም ኢሉ'ዩ ሓሲቡ። \" 'እቲ ገንዘብ ረኺብካ ክትዓጽዎ ትኽእል'ዶ? እዚ ገንዘብ ናብ ናይጄሪያ ክምለሰሉ ዝኽእል ነገር ክተመቻቹ ትኽእል'ዶ?' ኢሉ ሓቲቱኒ። \"ኣነ'ውን፤ 'እወ። ግን ድማ ኣብዚ እዋን ብዛዕባ እቲ ስራሕ ዝፈልጦ ስለ ዘይነበረኒ፤ ቐልጢፈ ክመሃር ነይሩኒ። ተማሂረ ከኣ\" ይብል። ስርሑ ንክጅምር፡ ፖሊስ ናይጄሪያ ኣባቻን ተሓባበርቱን ሰሪቘም ዝሓብኡዎ ገንዘብ ዝሓዘ'ዩ ዝተባህለ ዝርዝር ኣብ ስዊዝ ዘለው ዕጽው ሕሳብ ባንኪ ሂቦምዎ። ፖሊስ ኣብ ወርሒ ሕዳር 1998 ወግዓዊ ዝገበሮ ጸብጻብ፡ ልዕሊ 1.5 ቢሊየን ዶላር ገንዘብ ብኣባቻን ተሓባበርቱን ከም ዝተሰረቐ የመላኽት። እዚ ኹሉ ገንዘብ ሕንከት ብዘይብሉ መገዲ'ዩ ተሰሪቑ። ኣባቻ ከምዚ'ዩ ገይሩ፤ ብግልጺ ንዘይፍለጥ ጉዳያት ድሕነት ወጻኢ ዝኸውን ገንዘብ ወጻኢ ክኸውን ክሓትት ንኣማኻሪኡ ይነግሮ። ድሕሪኡ፡ ኣባቻ ኣብቲ ዝተዳለወ ቅጥዒ ወጻኢ ዝኸውን ገንዘብ ይፍርመሉ'ሞ እቲ ኣማኻሪ ናብ ማእከላይ ባንኪ ከይዱ ብጥረ ገንዘብ የውጽኦ። እቲ ዝበዝሕ ገንዘብ ከኣ ናብ መንበሪ ገዛ ኣባቻ ይወስዶ። በዓል ሞያ ሕጊ ሞንፍሪኒ 'Recovering Stolen Assets' ኣብ ዝብል መጽሓፉ ከም ዘስፈሮ ገለ መጠን እቲ ገንዘብ ብዶላር 'ብናይ ጽዕነት መኪና' እዩ ዝውሰድ ነይሩ። ኣባቻን መሻርኽቱን ብኸምዚ መገዲ ልዑል መጠን ዘለዎ ገንዘብ ይዘምቱ ነይሮም። ካልእ መገዲታት'ውን ነይሩዎም። ኮንትራት ኣብታ ሃገር ዝስርሑ ፕሮጀክታት ብዝለዓለ ገንዘብ ንመሓዙቶም ብምሃብ እቲ ትርፊ ምክፋል፣ ከምኡ'ውን ኣብታ ሃገር መዋእለ ንዋዮም ከውፍሩ ዝመጽኡ ናይ ወጻኢ ኩባኒያታት ፍቓድ ንክረኽቡ ዘይሕጋዊ መቑሽሽ ክኸፍሉ ምግባር ዝብሉ ይጥቀሙ። ብኸምዚ ንሰለስተ ዓመት ተጓዒዞም። ሃንደበት ኣባቻ ኣብ መበል 54 ዓመቱ ብ1998 ምስ ሞተ ግን ኩሉ ነገር ተቐይሩ። ናይ ውልቂ ዶክተሩ ዝነበረ ንቢቢሲ ብመሰረት ዝሃቦ ቃል፡ ናይ ሬሳ መርመራ ስለ ዘይተገብረ ብወቕዒ ልቢ ድዩ ሞይቱ ወይስ ተመሪዙ ዝብል ኣይፍለጥን። ኣባቻ፡ እቲ ብቢሊየን ዶላር ዝሰረቖ ገንዘብ ከይተጠቐመሉ ክመውት እንከሎ፤ ክጠፋፋእ ዝተገብረ ገንዘብ ምህላው ዝሕብሩ ውሑዳት ናይ ባንኪ መረዳእታታት ጥራሕ'ዮም ተረኺቦም። \"እንተኾነ እቶም ሰነዳት ምስ ካልኦት ናይ ባንኪ ሕሳብ ዘራኽቦም ልጓም ምህላው ንምፍላጥ ድሕረ ባይታ ኮይኖምኒ'ዮም\" ይብል ሞንፍሪኒ። ዝሓዘ ሒዙ ከኣ ናብ ዓቃቢ ሕጊ ስዊዝ ይኸይድ። ስድራ ኣባቻን መሻርኽቱን ድማ ትካላዊ ገበን ፈጺሞም'ዮም ዝብል መርትዖ ሒዙ ክካታዕ ጀሚሩ። ሳኒ ኣባቻ መን'ዩ? ድሕሪኡ እቲ ዓቃቢ ሕጊ ኩሎም ባንኪታት ስዊዘርላንድ ብሽም ኣባቻን መሻርኽቱን ዝተኸፍተ ሕሳብ ባንኪ ኣሎ እንተዀይኑ ወግዓዊ ክገብራ መምርሒ ይህብ። \"ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት 95 ሚኢታዊት ባንኪታትን ካልኦት ትካላት ፋይናንስን ንስድራ ኣባቻ ዝቀራረብ ትሕዝቶ ኣለዎም ዝበልኦም ወግዓዊ ገይረን\"። እዚ ኣብ መላእ ዓለም ዘለው ባንኪታት ኣለና ዝብሉዎ መረዳእታ ከፍልጡ ዝደፋፍእ ክኸውን'ዩ። \"እተን ባንኪታት ዘለወን ሰነድ ንኣብ ጀኔቫ ዝርከብ ኣኽባሪ ሕጊ ከረክባ እንከለዋ፤ ኣነ ኸኣ ዕማም እቲ ዓቃቢ ሕጊ ወሲደ ይሰርሕ\" ይብል ሞንፍሪኒ። 'እቶም ባንኪ ሕሳብ ብዙሕ ይዛረቡ' \"ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕሳብ ባንኪ ዝነበረት ገንዘብ ብትኽክል ካበይ መጺኡ ናበይ ከይዱ ዝብል ከነጻሪ ነይሩና። መውጽእን መእተውን እቶም ዝተኸፍቱ ፍቕዲታት ባንኪ ምስርኣኹ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ዝተገብረ ልውውጥ ገንዘብ ከም ዘለዎ ዘርእይ ኣንፈት ከኣ ረኺበ። \"ስለዚ ቀልጢፉ ዝዓበየ'ዩ ነይሩ፤ ብውሑዳት ሕሳብ ባንኪ ጀሚሩ ናብ ዓበይቲ ሕሳብ ባንኪ ተሰጋጊሩ። እዚ ዓብዪ ዓለምለኻዊ ስርሒት ከም ዘድሊ ዘመላኽት ኰነ። እቶም ባንኪ ሕሳብን ዝረኸብናዮም ሰነዳትን ተሳንዮም ዝኸዱ ስለ ዝነበሩ ብዙሕ ዝዛረቡ ነይሮም። \"ካብ ናብ ዝተላእኸ ብዙሕን ዝተፈላለየን ገንዘብ ከም ዘሎ ዘረጋግጽ'ዩ ነይሩ\"። ካብዚ ብዝብገስ ኣባቻ ዝዘርግሖ ሰንሰለት ንሞንፍሪኒ ዓብዪ ጻዕሪ ዝሓትት ስራሕ ኰነ። \"ክንደይ ዝኣክል ስራሕ ከም ዘድልዮ ዋላ ሓደ ዝርድኦ ዝነበረ ኣይመስለንን። ንብዙሓት ሰባት፣ ክኢላታት ሕሳብን ካልኦት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝረኽቦም ሰብ ሞያ ሕግን ገንዘብ ክኸፍል ነይሩኒ\" ይብል። ስለ ዝዀነ ድማ ሞንፍሪኒ ካብቲ ናብ ናይጄሪያ ዝምለስ ገንዘብ 4 ሚኢታዊት ክኸፍሎም ተሰማምዐ። ከም ግምቱ \"ኣዝዩ ሕሱር\" ክፍሊት ነይሩ። \"ስድራ ኣባቻ ከም ከልቢ ይብኣሱ ነይሮም፤ ኣብ ኩሉ እንሰርሖ ነገር ይግባእ ይሓቱ ስለ ዝነበሩ ንስራሕና ይጎቶ ነይሩ\"። ፖለቲከኛታት ስዊዘርላንድ ከኣ እቲ ገንዘብ ናብ ናይጄሪያ ምስ ተመልሰ ዳግም ክስረቕ'ዶ ይኸውን ዝብል ሕቶ ስለ ዘልዓሉ ተወሳኺ ምዝንጋዕ ክፍጠር ምኽንያት ኮይኖም። ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት፡ ዝተወሰነ ገንዘብ ናብ ናይጄሪያ ይምለስ። ሞንፍሪኒ፡ ብ2008 ኣብ ዝጽሓፎ፡ ስድራ ኣባቻ ኣብ ባንኪ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝኸፈቶም ዝተፈላላዩ ሕሳብ ባንኪ ዝተረኸበ 508 ሚሊየን ዶላር ካብ 2005 ክሳብ 2007 ኣብ ዘሎ ግዜ ክምለስ ክኢሉ'ዩ ኢሉ። ብ2018 ድማ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነበረ ልዕሊ ሓደ ቢሊየንደ ኦላር ናብ ናይጄሪያ ተመሊሱ። ካልኦት ግኑናት ሰረቕቲ ፕሬዝደንታት መሓመድ ሹሃርቶ - ፕሬዝደንት ኢንዶኔዥያ - ካብ 1967 ክሳብ 1998 ካብ 15 ክሳብ 35 ቢሊየን ዶላር ሰሪቑ ፈርዲናንድ ማርቆስ - ፕሬዝደንት ፍሊፕንስ - ካብ 1972 ክሳብ 1986 ካብ 5 ክሳብ 10 ቢሊየን ዶላር ሰሪቑ ሙቡቱ ሴስ ሴኮ - ፕሬዝደንት ዛየር- ካብ 1965 ክሳብ 1997 ኣስታት 5 ቢሊየን ዶላር ሰሪቑ ካልኦት ሃገራት ግን እቲ ገንዘብ ንምምላስ ዘንጊዐን ነይረን። እቲ በዓል ሞያ ሕጊ፡ ንኣብነት ሊቼስታይን ክትምልስ እያ ኢልካ ምሕሳብ ሕልሚ ነይሩ ኢሉ። ኣብ ወርሒ ሰነ 2014 ግን 227 ሚሊየን ዶላር ናብ ናይጄሪያ ክትመልስ ክኢላ። ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት፡ ብግንቦት 2020 ኣብ ከተማ ጀርሲ ኣብ ዝነበረ ሕሳብ ባንኪ ዝነበረ 308 ሚሊየን ዶላር ተመሊሱ። ሰበ ስልጣን ናይጄሪያ እዚ ገንዘብ ናይ ፍጥነት መገዲ ሌጎስ - ኢባዳንን ጽርጊያ ኣቡጃ - ካኖን ንምህናጽ ከነውዕሎ ኢና ኢሎም ምሒሎምን ተገዚቶም ምስተኣመኑ'ዩ ተመሊሱ። ክሳብ ሕጂ ግን ገና ዘይመለሳ ሃገራት ኣለዋ። በዓል ሞያ ሕጊ ሞንፍሪኒ ሕጂ'ውን ኣብ ዓዲአ ኢንግሊዝ ዝርከብ ክምለስ ዝግብኦ 30 ሚሊየን ዶላር ከምኡ'ውን ኣብ ፈረንሳ 144 ሚሊየን፣ ኣብ ጀርሲ ድማ 18 ሚሊየን ዶላር ኣሎ'ዩ ይብል። ብጠቕላላ፡ ልዕሊ 2.4 ቢሊየን ዶላር ናብ ዋንኡ ክምልስ ከም ዝጽዓረ ይዛረብ። እቲ በዓል ሞያ ሕጊ ብስርሑ ሕቡን ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። \"ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ንደቀይ ክነግሮም እንከለኹ፡ ዝጠፍአ ገንዘብ ረኺበ ክዕጾ ብምግባር፤ ሰብ መዚ ንህዝቦም ክኾኑ ከም ዘለዎም ብምሕባር እቲ ገንዘብ ንህዝቢ ናይጄሪያ ክምለሰሉ ገይረ ኢለ የውግዖም። እቲ ስራሕ ክስራሕ ገይርናዮ ኢና\" ኢሉ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55875317"} {"headline":"ኣብ ናይጀርያ ሃንደበታዊ ጉድኣት ዘብጽሑ ዕጡቓት ሸውዓተ ፖሊስ ቀቲሎም ተሰዊሮም","content":"ዕጡቓት ናይጀርያ ኣብ ደቡባዊ ግዝኣት እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ሓደ ነቑጣ ተፍትሽ፡ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ሸውዓተ ኣባላት ፖሊስ ቀቲሎም። እቶም ዕጡቓት ናይ ፖሊስ መኪና'ውን ኣቃጺሎም ተባሂሉ። ፖሊስ ብዝወሰዶ ዓጸፋ ምላሽ፡ ክልተ ኣባላት እቶም ዕጡቃት ዝቐተለ ኾይኑ፤ ዝተረፉ ከምዘምለጡ ተገሊጹ። ነቶም ዝተረፉ ንምሓዝ ድማ፡ ሓያል ኣለሻ ይካየድ ኣሎ። እቶም ዕጡቃት ነቲ መጥቃዕቲ ስለምንታይ ከምዝፈጸሙ ምኽንያቱ ዛጊድ ዘይተፈልጠ እንተኾነ'ኳ፡ ኣብቲ ከባቢ ቅድሚ ሕዚ ተመሳሳሊ ክስተት ኣጋጢሙ ከምዝነበረ ተገሊጹ። እቶም መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት፡ ቾባ ኣብ ዝተብሃለ ዓብዪ ድልድል ኣብ ዝርከብ ናቑጣ ተፍትሽ፡ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ብናይታ ሃገር ኣቆጻጽራ ናይ ምሸት ሰዓት 02፡30 ከምዝኾነ ወሃቢ ቃል ፖሊስ እቲ ከባቢ ኣፍሊጡ። እቲ ወሃቢ ቃል፡ ክልተ ኣብቲ ናቑጣ ዝነበሩን ካልኦት ክልተ ኣብ መንገዲ ዝጸንሑን ከምዝቐተሉ፤ ካብኡ ድማ ሩሙጂ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ዋንነቱ ናይ ፖሊስ ዝኾነ መኪና ብሓዊ ከምዘቃጸሉ ኣረዲኡ። ክልተ ካብቶም ዕጡቓት ከምዝተቐትሉ፡ ካብኡ ዘምለጡ ግና፡ ‘ኤሊምቡ’ ኣብ ዝተብሃለ ካልእ ፖሊስ ጣብያ፡ ሰለስተ ፖሊስ ከምዝቐተሉ እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ ሓቢሩ። ኣብቲ ከባቢ፡ ኣባላት ፖሊስን ኣባላት ሰራዊትን ብተደጋገሚ ዝቕተሉ ኮይኖም፡ ካብ ኣጋምሸት ጀሚሩ ሰዓት እቶ እቶ ተኣዊጁ ይርከብ። ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ፡ ናብቲ ሕዚ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ቀረባ ዝኾነ፡ ኣናምብራ ኣብ ዝበሃል ክልተ ፖሊስ ከምዝተቐትሉ እውን ይዝከር። ናይጀርያ፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ኢስላማውያን ኣኽረርቲ ብዝኸፍትዎ መጥቃዕቲ ኣብ ከቢድ ፈተና ወዲቓ ትርከብ። ከምኡ’ውን ኣብ ሰሜን ምዕራብ እታ ሃገር፡ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጥራይ፡ 700 ህጻናት ካብ ቤት ትምህርቲ ተዓጨውዮም ከምዝተወስዱ ይፍለጥ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57048299"} {"headline":"ኣብ ክልተ ገጠራት ኒጀር ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ 100 ሰባት ተቐቲሎም","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ኒጀር ከምዝበሎ፡ ቀጽሪ ናይቶ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ብጂሃዳውያን ዕጡቓት ዝተቐትሉ ሰባት 100 በጺሑ። እቶም 70 ኣብ ትኮምባንጎ ዝተባህለ ቁሸት፡ እቶም ዝተረፉ 30 ድማ ኣብ ዛሮምዳረየ ዝተባህለት ቁሸት ከምዝተቐትሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጊ ራፊኒ ኣፍሊጡ። እቲ መጥቃዕቲ ምስ ማሊ ኣብ ዘዋስን ምዕራባዊ ዶብ እታ ሃገር እዩ ተፈጺሙ። ኣብዚ ቀረባ ኣብ ዞባ ሳሕል ብዙሓት መጥቃዕቲታት ብዕጡቓት ተፈጺሞም እዮም። ፈረንሳ እኳ፡ ትማሊ ቀዳም ክልተ ወታሃደራታ ኣብ ማሊ ከምዝተቐተሉ ገሊጻ እያ። ሰዓታት ቅድሚ እቲ ናይ ትማሊ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ፡ ምስ ኣልቃዒዳ ርክብ ዘለዎ ሓደ ጉጅለ ዕጡቕ፡ ነቲ ብሶኒ ኣብ ማሊ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ወታሃደራት ፈረንሳ ዝተፈጸመ ቅትለት ሓላፍነት ከምዝወስድ ኣፍሊጡ ነይሩ። ፈረንሳ ነቲ ኣብ ዞባ ሳሕል እስላማውያን ዕጡቓት ንምድምሳስ ብሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃን ኣውሮጳውያን መሓዙተንን ዝቖመ ልፍንቲ ክትመርሖ ጸኒሓ እያ። ኮይኑ ግና እቲ ዞባ ብዓሌታዊ ጎንጺ፣ ሽፍትነት፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባትን እጻትን ምሕማሱ ቀጺሉ ኣሎ። ድሕሪ እቲ ኣብተን ገጠራት ዝተፈጸመ ቅትለት፡ ናብቲ ከባቢ ወታሃደራት ከምዝተልኣኹ ሚኒስተር ውሽጢ ዓዲ ኒጀር ገሊጹ ኣሎ፤ እንተኾነ ብትኽክል ክንደይ ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣይሓበረን። ኤኤፍፒ ዘዘራረቦ ሓደ በዓል ስልጣን እቲ ከባቢ ብዙሓት ሰባት ከምዝተቐተሉ ክገልጽ ከሎ፡ ሓደ ጋዜጠኛ ድማ ክሳብ 50 ሰባት ከምዝተቐተሉ ተዛሪቡ። እቲ ሰለስተኣዊ ወሰን ሃገራት ኒጀር፣ ማልን ቡርኪናፋሶን ዝኾነ ከባቢ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ጂሃዳውያን ዝፍጸመሉ ከባቢ እዩ። ካብ ናይጄርያ ሰሊኾም ዝኣትዉ ዕጡቓት ቦኮ ሓራም እውን ኣብ ኒጀር ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ይፍጽሙ እዮም፤ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እኳ ደቡብ ምብራቓዊ ኒጀር ኣብ ዝርከብ ዞባ ዲፋ፡ 27 ሰባት ቀቲሎም ነይሮም። እቲ ናይ ትማሊ መጥቃዕቲ ግን፡ ኒጀር ሃገራዊ መረጻ እተካይደሉ ኣብ ዘላ እዋን እዩ ተፈጺሙ ዘሎ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55520367"} {"headline":"ቦኮሓራም ኣብ ድሮ በዓል ልደት ብዝወሰዶ መጥቃዕቲ ሰባት ቀቲሉ","content":"ዕጡቓት ቦኮሓራም ኣመንቲ ሃይማኖት ክርስትና ብበዝሒ ኣብዝነብርሉ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብርክት ዝበሉ ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ድሮ በዓል ልደት ዝተፈጸመ ኮይኑ ቤተ ክርስትያን’ውን ኣባሪዖም እዮም። ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 11 ሰባት ከምዝተቐትሉ ኤኤፍፒ ንዘቤታውያን ምንጭታት ጠቒሱ ጸብጺቡ። እቶም ዕጡቛት ኣብ ጥቓ ግዝኣት ቦርኖ ናብ እትርከብ ፔሚ ብሞተር ሳይክልን መኪናን መጺኦም ብኣልማማ ናብ ዝረኸብዎ ክትኩሱ ከምዝጀመሩ መራሒ እቲ ከባቢ ንኤኤፍፒ ሓቢሩ። ፔሚ ቅድሚ 6 ዓመታት 200 ደቂ ኣንስትዮ ተጨውየን ካብዝተወሰዳሉ ቺኮብ ኣብ ቀረባ ርሕቐት እትርከብ እያ። ሓለፍቲ ድሕነት ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ፡ ኣብ በዓል ኣመንቲ ሃይማኖት ክርስትና መጥቃዕቲ ክፍጸም ይኽእል ዝብል መጠንቀቕታ’ኳ ኣሕሊፎም እንተነበሩ ዕጡቓት ቦኮሓራም ንፔሚ ሃንደበት ወሪሮማ። ነብርቲ ፔሚ ናብ ጫካ ክሃድሙ ዝተገደዱ ኮይኖም ሃለዋት ገለ ሰባት’ውን ከምዘይተፈልጠ ተሓቢሩ። መራሒ ሚሊሻ እቲ ከባቢ ዝኾነ ኣብዋኩ ካቡ እቶም ዕጡቓት ሸውዓተ ሰባት ከምዘቃጸሉን ዓሰርተ መንበሪ ኣባይቲ ከምዘንደዱን ሓቢሩ። ብምኽንያት በዓል ልደት ንነበርቲ እቲ ከባቢ ክዕደል ተባሂሉ ዝነበረ ናይ መግቢ ኣስቤዛ ተዘሪፉ’ዩ። ካብኡ ብተወሳኺ “ቤተ ክርስትያን ኣቃጺሎም፣ ሓደ ቀሺ ጨውዮምን: ቅድሚ ማእኸል ሕክምና ምቅጻሎም ከኣ መድሓኒት እቲ ሆስፒታል ዘሪፎም ወሲዶም” ክብል መራሒ ሚሊሻ እቲ ከባቢ ኣብዋኩ፡ ወሲኹ ገሊጹ። ቦኮሓራም ንመንግስቲ ናይጀርያ ኣልዩ እስላማዊ መንግስቲ ንምቛም ዓሊሙ ኣብዝቃለሰሉ ሰሜናዊ ክፋል ናይጀርያ ብዙሕ መጥቃዕቲ ፈጺሙ’ዩ። ቦኮሓራም ኣመንቲ ሃይማኖት እስልምና ካብ ናይ እስልምና ሃይማኖት ሕጊ ወጻኢ ንኸይንቀሳቐሱን ከይሳተፉን ዝኽልክል ኮይኑ መጸውዒ ሽሙ “ኣስተምህሮ ምዕራባውያን ክልኩል’ዩ” ዝብል ትርጉም ዝሓዘ’ዩ። እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ቺቦክ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኣዝዩ መሰንበዲ ነይሩ። ኣብቲ ንኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ዝዘለቐ ጎንጺ ቦኮሓራም: ኣስታት 36 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐትሉን ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ከኣ ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ መረዳእታ ሕቡራት ሃገራት የመልክት። ቦኮሓራም ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ካሲና ካብ ዝርከብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ቤት ትምህርቲ 3 ሚኢቲ ሰባት ብምጭዋይ ተሓታቲ ኮይኑ’ሎ። ሰብ ስልጣን እታ ሃገር ግን እቲ ጭውያ ኣብቲ ከባቢ ብዝርከቡ ናይ ቦኮሓራም ተሓባበርቲ ሸፋቱ ከም ዝተፈጸመ’ዮም ዝገልጹ። ተዋጋእቲ ቦኮሓራም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንብዙሓት ሰራሕተኛታት ሕርሻ ከምዝቐተሉ ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55452219"} {"headline":"ናይጄርያውያን ሓገግቲ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ንከይኽፈታ ተቓዊሞም","content":"ኣባላት ባይቶ ናይጄርያ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ንምኽፋት ዘሎ መደብ ብሰለስተ ወርሒ ክናዋሕ፡ ንመንግስቲ ፌደራል ሓቲቶም። እቶም ኣባላት ነዚ ሕቶ ዘቕረቡ፡ ኣብታ ሃገር ቁፅሪ ብኮሮናቫይረስ ዝልከፉ ሰባት ይውስኽ ብምህላዉ እዩ። ኣብያተ ትምህርቲ ናይጄርያ ሰኑይ ክኽፈታ እዩ፡ ተወሲኑ ነይሩ። እንተኾነ፡ ኮሚቴ ጉዳያት ትምህርቲ ባይቶ እታ ሃገር፡ በብመዓልቱ 1 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ፀብፃባት ኣብ ዝወጽአሉ ግዘ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ንምኽፋት ዝግበር ዘሎ ምሽብሻብ ከምዘሻቐሎ ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣቦወንበር እቲ ኮሚቴ ጁልየስ ኣይሆንቭቤር፡ ኣብያተ ትምህርቲ 75 ሚእታዊት መምርሕታት ኮሮናቫይረስ ክሳብ ዘማልኣ፡ ተምሃሮ ኣብ ገዝኦም ክፀንሑ ይግባእ ኢሉ። “ኣብ ሌጎስን ካልኦት ከባብታትን፡ መንግስታት መምርሕታት ኮቪድ-19 ተግባራዊ ንክኾኑ ኣይገበሩን። ሰባት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ኮነ ሳኒታይዘር ኣይጥቀሙን” ኢሉ፡ ጁልየስ ኣይሆንቭቤር። እቲ ኮሚቴ፡ ተምሃሮ ቅድሚ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ምምላሶም፡ መንግስቲ ኣብቲ ማሕበረሰብ ዘሎ ምእዙዝነትን ምድላዋት ኣብያተ ትምህርትን ከፅንዕ ከምዝግባእ ድማ ሓቢሩ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55701521"} {"headline":"መጥቃዕቲ ናይጄሪያ፡ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ናይጀርያ ልዕሊ 300 ደቂ ኣንስትዮ ተመሃሮ ጨውዮም","content":"ኣብ ናይጄሪያ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ልዕሊ 300 ተምሃሮ ደቂ-ኣንስትዮ ከምዝተጨወዩ ተገሊጹ። ኣብቲ ትማሊ ኣብ ሓደ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ዝተፈጸመ ጭውያ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ኣብ እትርከብ ከተማ ዛምፋራ ከምዝተፈጸ ፖሊስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ። ሓደ መምህር ከምዝሓበሮ፡ እቶም ዕጡቓት ኣስታት 300 ተመሃሮ ከምዝወሰዱ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ። ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሃማዱ ቡሃሪ፡ ነቲ ጭውያ \"ኢሰብኣውን ተቐባልነት ዘይብሉን\" ክብል ብምግላጽ፡ ነቲ ናይ ምድሓን ዕማም ንምስላጥ ብኣዘዝቲ ሓይልታት ጸጥታ ዝቖመ ጉጅለ ኣዋፊሩ ምህላዉ ገሊጹ። ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ልዕሊ 100 ዝኾኑ ዕጡቓት ኣብቲ ቤት-ትምህርቲ ከምዝኣተው ሓቢሮም። እቶም ዕጡቓት፡ ነቲ መዓጾ ቤት-ትምህርቲ ሰይሮም ብምእታው፡ ነተን ኣብ ገዛውተን ዝነበራ ደቂ-ኣንስትዮ ኣተንሲኦም ከምዝወሰድወን ገሊጾም። ናይቲ ቤት-ትምህርቲ ወርድያ ቐቲሎም ድማ ነተን ተምሃሮ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዘሎ ጫካ ሒዞመን ከምዝተሰወሩ እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም። ዋላ'ኳ ዕላማ ናይዚ ኣብ ከተማ ዝተኻየደ ጭውያ ብንጹር እንተ ዘይተፈልጠ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ናይጀርያ ዕስለ ገበነኛታት ንገንዘብ ኢሎም ቀጻሊ ጭውያታት ከምዝፍጽሙ ወኪል ቢቢሲ ካብ ርእሰከተማ ኣቡጃ ይገልጽ። ኣብ ናይጄሪያ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሓይልታት፡ ገንዘብ ደሊዮም ተመሃሮ ጅሆ ከምዝሕዝዎም ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ'ውን ልዕሊ 300 ኣወዳት ተምሃሮ ካብታ ኣብ ዞባ ካሲና እትርከብ ከተማ ካንካራ ተወሲዶም ምንባሮም ይዝከር። ምስቶም ዕጡቓት ድሕሪ ዝተገብረ ልዝብ ግን ድሒሮም ተፈቲሖም። ዝሓለፈ ሰሙን'ውን መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት፡ ሓደ ቆልዓ ብምቕታል ካልኦት 27 ከምዝጨወዩ ኣማሓዳሪ ዞባ ኒጀር ገሊጹ ነይሩ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ኣስታት 600 ኣወዳት ቆልዑ ኣብ መደቂሲ ክፍልታቶም ከም ዝነበሩ ሓላፊ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ዳናሳበ ኡባይዱ ንቢቢሲ ሓቢሩ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/56206750"} {"headline":"ምሕረት ዝተገብረሉ ፍሉጥ ናይጀርያዊ ዓማጺ፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ተመሊሱ ኣትዩ","content":"ኣብ ናይጀርያ ሓደ ፍሉጥ መራሒ ዓመጺ ጉጅለ ዝኾነ ምሕረት ተገይርሉ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጽአ ናብ ቤት ትምህርቲ ኣምሪሑ። ዛምፋራ ዝተብሃለት ግዝኣት ናይጀርያ፡ መራሒ እቲ ጉጅለ ኣዋሉን ዳውዳዋ፡ ተግባራት ዓመጽ ጠጠው ኣቢሉ ምስ ኣርባዕተ ርእሱ ኢዱ ከምዝሃበን 20 ጠመንጃ ከምዘረከበን ኣፍሊጣ ነይራ ። ሓለፊ ጸጥታ እታ ግዝኣት፡ ሚስተር ዳውራን፡ እቲ ውልቀሰብ እቲ ካብ ጎረቤት ግዝኣት፡ ካንካራ ካብ ዝተብሃለት ቤት ትምህርቲ፡ 300 ተምሃሮ ዝተጨውይሉ ኣጋጣሚ ንሱ ቀንዲ ኣዋሃዲ እቲ ሰርሒት ምንባሩ ኣዘኻኺሩ። እቶም ኩሎም ደቂ ተባዕትዮ ዝኾኑ ዝተጨውዩ ተምሃሮ ብዝርርብ ነጻ ተሰዲዶም እዮም። ካብታ እቶም ተምሃሮ ዝተጨውዩላ ግዝኣት ካስቲና ዛጊድ ዝተብሃለ ነገር የለን። ንሱ፡ \"ኣነ ተቐይረ እየ፤ ካልእ ሰብ እየ። ዕላማይ ድማ ናብ ቤት ትምህርቲ ተመሊሱ ጥዑይ ዜጋ ምዃን እዩ \" ኢሉ። ሚስተር ዳውራን ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ መራሒ እቲ ዓመጽ ዘካይድ ገበነኛ ጉጅለ መሻርኽቱን ዕኑድ ገበነኛታት'ኳ እንተነበሩ፡ ንስሓ ገይሮም እዮም ኢሉ። ገለ ሰባት፡ ከምዚ ዓይነት ምሕረትን ዕርቅን ንገበነኛታት ግቡእ ቅጽዓት ከይረኽቡ ዝገብር እዩ ይብሉ። ሰብ ስልጣን እታ ግዝኣት ግን፡ ነዚ ስጉምቲ ስዒቡ ኣብ 2019 ጥራይ 80 ጨወይቲ ባዕሎም ኢዶም ከምዝሃቡ ይገልጹ። ብኻልእ ዜና ድማ፡ እታ ግዝኣት፡ ንሓደ ኣብ ተግባራት ግብረ ሽበራ ይሳተፍ ነይሩ ዝበሎ መራሒ ጉጅለ፡ ሓሩና ሙሳ ሞታ፡ ኣብ ቀይዲ ኣውዒሉ ኣሎ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56007326"} {"headline":"ናይጀርያ፡ ልዕሊ 1800 እሱራት ሃዲሞም","content":"ኣብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ናይጀርያ ብዕጡቓት ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 1800 እሱራት ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ከምዝሃደሙ ሰብ መዚ እታ ሃገር ሓቢሮም። እቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ናይጀርያ ኣብ እትርከበ ኦወሪ እትብሃል ከተማ ዝርከብ ኮይኑ፡ እቶም ዕጡቓት ነቲ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ብተፈንጃሪ ኣፍሪሶም ናብ ቀጽሪ እቲ ቤት ማእሰርቲ ከምዝኣተዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ካብቶም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ እሱራት 35 ኣይንሃድምን ኢና ኢሎም ክኣብዩ እንከለዉ ሽዱሽተ ኸኣ ተጣዒሶም ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተመለሱ ተሓቢሩ። ፖሊስ ናይጀርያ እቲ እሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ ንምህዳም ዝተገበረ ስርሒት፡ በቶም ካብ ናይጀርያ ክፍለዩ ዝደልዩ ደቀባት ተወለድቲ ብያፍራ’ዩ ተኻይዱ ኢሉ እዩ ዝኸስስ፡፡ እቶም ብመንግስቲ ናይጀርያ እገዳ ተነቢርዎም ዘሎ ዕጡቓት ተወለድቲ ብያፍራ ግን ነቲ ብተደጋጋሚ ብመንግስቲ ዝቐርብ ተመሳሳሊ ክስታት ወትሩ ምስ ነጸግዎ’ዮም። ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ኣብያተ መእሰርቲ ናይጀርያ፡ በቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ 1844 እሱራት ከምዝሃደሙ ሓቢሩ ኣሎ። እቲ ብሰኑይ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ብንኣሽቱ መካይንን ብኣውቶቡስን ተጻዒኖም ዝመጽኡ ዕጡቓት ከምዝፈጸምዎ እቲ ዝተውሃበ ሓበሬታ የነጽር። ውሃቢ ቃል ፖሊስ ናይጀርያ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ነቲ ቤት ማእሰርቲ ዘጥቅዑ ዕጡቓት ተጸዋሪ ሮኬት፣ ናይ ኢድ ቦንባ፣ ዘመናዊ ብረትን ጠበንጃን ተዓጢቖም ምንባሮም ገሊጹ። ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሓማዱ ቡሃሪ ነቲ መጥቃዕቲ “ብፋሉላት ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ” ኢሉ ገሊጽዎ። ንሱ ብምስዓብ ሓይልታት ጸጥታ ናይጀርያ ነቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙን ነቶም ዝሃደሙ እሱራትን ሃዲኖም ክሕዝዎም ጸዊዑ ኣሎ። ውሃቢ ቃል ደቀባት ብያፍራ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል ብወገኑ፡ እቲ ነቲ መጥቃዕቲ ብተወለድቲ ብያፍራ’ዩ ተፈጸሙ ዝብል መግለጺ መንግስቲ “ሓሶት’ዩ” ኢልዎ ኣሎ። ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ናይጀርያ ካብ ወርሒ ጥሪ ንነጆ፡ ኣብ ብዙሓት ኣብያተ ጽሕፈት ፖሊስን መካይንን መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመን ብዙሕ ወተሃገራዊ ንብረት’ውን ከምዝተዘመተ ይግለጽ፡፡ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ነዚ መጥቃዕትታት ሓላፍነት ዝወሰደሉ ኣካል የለን።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56646301"} {"headline":"ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ብመንግዲ ኮቫክስ ክታበት ኮቪድ 19 ይቕበላ ኣለዋ","content":"ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ በቲ ንድኻታት ሃገራት ክታበት ኮሮናቫይረስ ከከፋፍል ብሕቡራት ሃገራትን ውድብ ጥዕና ዓለምን ዝቆመ ፕሮግራም ኮቫክስ ቀዳማይ ገጽ ክታበት ኮሮናቫይረስ ይበጽሕን ከምዘሎ ተፈሊጡ። ኬንያ ሎሚ ሮቡዕ 1.02 ሚልዮን ብልቃጥ ብኦክስፎርድ ዝፈረየ ክታበት ኣስትራ ዘኔካ ተቐቢላ ኣላ። በዚ መሰረት ኬንያ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እታ ሳልሰይቲ ሃገር ብፕሮግራም ኮቫክስ ክታበት ዝተቐበለት ሃገር ኮይና ኣላ። እዚ ኬንያ ተቐቢላቶ ዘላ ቀዳማይ ገጽ ዕደላ ክታበት ብውሕዱ ንፍርቂ ሚልዮን ሰባት ክልተ እብረ ክታበት ከኽትብ ዝኽእል እዩ፡ ብመሰረት ኬንያ ዝሰረዓቶ ቀዳምነታት ሰራሕተኛታት ትካላት ጥዕና፡ መምሃራን፡ ፖሊስን ኣረጋውያንን ተጠቀምቲ እዚ ቀዳማይ ገጽ ክኾኑ እዮም። ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ’ውን ሰሉስ ምሽት ብመንገዲ ሚኒሰትር ጥዕና እታ ሃገር ኢተን ሎንጎዶ ኣቢላ 1.7 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ኣስትራ ዘኔካ ካብ ፕሮግራም ኮቫክስ ተቐቢላ ኣላ። ብመሰረት ፕሮግራም ኮቫክስ ኣውጽኢዎ ዘሎ መደብ፡ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ክሳብ ወርሒ ግንቦት 2021 ኣብ ዘሎ ግዜ ብሓፈሻ 6.9 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ክትርከብ እያ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣንጎላ 624,000 ብልቃጥ፡ ካምብያ 36,000 ብልቃጥ ክታበታት ሎሚ ሮቡዕ ካብ ፕሮግራም ኮቫክስ ተረኪበን ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ እየን። ሃገራት ጋና፡ ናይጀርያን ኣይቮሪኮስትን’ውን ካብ ፕሮግራም ኮቫክስ ክታበት ተቐቢልን ድሮ ምኽታብ ጀሚረን ዘለዋ ሃገራት እየን። ፕሮግራም ኮቫክስ ኣብ ታሪኽ ዓለም እቲ ዝዓበየ ውህደት ምክፍፋል ክታበታት እዩ። ኮቫክስ ክሳብ መወዳእታ እዚ ዓመት ክልተ ቢልዮን ብልቃጥ ክታበታት ናብ ድሩት ዓቕሚ ዘለወን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ከከፋፍል እዩ ተሊሙ ዘሎ። እንተኾነ፡ እዚ ክልተ ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት፡ 20 ሚእታዊት ህዝቢ ናይተን ክሕገዛ ተሰሪዐን ዘለዋ ሃገራት ስለዝኾነ እኹል ከምዘይኮነ እዩ ዝግለጽ። ሃብታማት ሃገራት ንምሉእ ህዝበን ዝኸውን ዝተፈላለየ ዓይነት ክታበት ኣቐዲመን ምስተን ክታበት ዘፍርያ ትካላት እናተሰማማዓ ይዕድግኦ ስለዘለዋ፡ ኣብ መስርሕ ክታበት፡ ድኻታት ሃገራት ድሕሪት ከይተርፋን ግዳይ ከይኾናን ውድብ ጥዕና ዓለም ብተደጋጋሚ ስክፍትኡ ክገልጽ ይስማዕ እዩ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/56262933"} {"headline":"ፕረዚደንት ናይጀርያ ንላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት እታ ሃገር ኣባሪሩ","content":"ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሃማድ ቡሃሪ፡ ንላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ምክልኻል ናይጀርያ ካብ ስርሖም ከምዘባረሮም ኣፍሊጡ። እዞም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ናይጀርያ፡ ንሱ፡ ኣብ 2015 ስልጣን ኣብ ዝተረከበሉ እዋን'ዩ ሽመት ተዋሂብዎም። እቲ ፕረዚደንት ኣስማት እቶም ዝትክእዎም ኣዘዝቲ ሰራዊት'ውን ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቶም ካብ ስርሖም ዝተባረሩ፡ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ፡ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ከምኡ'ውን [ኢታማጆር ሹም] ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ እቲ ሰራዊት ምክልኻል ናይጀርያ እዮም። እዞም ሰብመዚ ስለምንታይ ካብ ስርሖም ተባሪሮም ግና ዝተዋህበ መብርሂ የለን። እንተኾነ፡ እቲ ስጉምቲ ምስቲ ጂሃዳዊ ጉጅለ ቦኮሓራም ዝፍጽሞም ዘሎ መጥቃዕትታትን፡ ቀጻሊ ጭውያታትን ብዝተሓሕዝ ከምዝተወስደ'ዩ ዝግለጽ። እዞም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት እታ ሃገር፤ ካብ ስርሖም ክባረሩ ካብ ኣመሓደርቲ ግዝኣታት ናይጀርያን ባይቶ እታ ሃገርን ብዙሕ ጻውዒት ክቐርብ ከምዝጸንሐ'ውን ይግለጽ። ፕረዚደንት ቡሃሪ፡ ኣብ 2015 ኣብ ስልጣን ክመጽን እንከሎ፡ ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እታ ሃገር ዘሎ ዕግርግር ከምዘኽትሞ ተመባጺዑ ነይሩ። እንተኾነ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ ዝንቐሳቐን ግብረ-ሽበራዊ ጉጅለ ቦኮ-ሓራም ብቐጻሊ መጥቓዕትታት ከካይድ ጸኒሑ። ካልኦት ግበረ-ሽበራዊ ጉጅለታት'ውን ኣብቲ ዞባ ወተሃደራዊ ስርሒታት የካይዱ ምህላዎም ይግለጽ። ኣብ ትሕቲ ስልጣን ቡሃሪ፡ ኣብ ማእከላይ ዞባ እታ ሃገር ኣብ መንጎ ሓረስቶትን ጓሶትን ጎንጺ ብቐጻሊ ይውላዕ ከምዘሎን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ እታ ሃገር ጭውያት ይፍጸም ከምዘሎን ይሕበር። ቦኮ ሓራም መንግስቲ ናይጀርያ ነቲ ብቦኮ ሓራም ዝፍለጥ ጂሃዳዊ ምንቅስቓስ ዝተመስረተሉ ሰሜናዊ ምብራቕ ክፋል እታ ሃገር ንምቁጽጻር ኣብ ቀጻሊ ጻዕሪ ይርከብ። ብመሰረት መረዳእታ ዓለም ለኻዊ ተርታ ግብረ ሽበራ፡ ቦኮሓራም፡ ካብ 2011 ኣትሒዙ፡ ኣብ ናይጀርያን ጎረባብቲ ሃገራትን፡ ምስ ኵናት ብዝተኣሳሰር ሞት ልዕሊ 37,500 ሰባት፡ ምስ ግብረ ሽበራ ብዝተኣሳሰረ ድማ ንሞት ልዕሊ 19 ሽሕ ሰባት ተሓታቲ ኮይኑ ይርከብ። ኣብ 2015 ምስ ኣይ-ኤስ ክሰርሕ ቃል ዝኣተወ ሓደ ጉጅለ ካብ ቦኮ ሓራም፡ “ናይ ምዕራብ ኣፍሪቃ እስላማዊ መንግስቲ” እየ ብምባል፡ ዶባት እቲ ኸባቢ ብቐሊሉ ብምስጋር ኣብ 2018 ኣብ ቀላያት ጫድ ድልዱል መዓስከር ኣቚሙ ይርከብ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ አይ ኤስ ነዚ ኣብ ኣፍሪቃ ዝተራእየ ምትሕብባር ብቐጻሊ ክዛረበሉ ጸኒሑ ኣሎ። ወተሃደራት ናይጀርያ ካብ 2009 ጀሚሩ ነቶም እስላማዊ ዕጡቓት ሓይልታት ቦኮ ሓራም ክዋጋእ ጸኒሑ'ሎ። በቲ ጎንፂ ልዕሊ 30,000 ሰባት ክሞቱ እንከለው ኣስታት 18 ሚልዮን ካብ ገዛውቶም ተመዛቢሎም ይርከቡ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55807349"} {"headline":"ኮቪድ-19፡ ኣብዚ ዓመት እቲ ብብዝሒ ኣብ ጉግል ዝተኣለሸ ኮይኑ","content":"ኣብዛ ብጽልዋታት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዐት ዓመት፡ ኣብ ኬንያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ናይጄሪያን ኮሮናቫይረስ ኣብ ጉግል ብብዝሒ ዝተኣለሸ ክኸውን ግድን'ዩ። ኣብታ እዚ ለበዳ ከቢድ ማህሰይቲ ዘውረደላ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሰባት ብዛዕባ እቶም ዝተነበሩ መምርሒታት ዕጽዋ፣ ዜናታት ሲጋራን ኣልኮላዊ መስተን ዝርዝር ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ጉግል ይእልሹ ነይሮም። ኣብ ኬንያ፡ ምስቲ ለበዳ ብዝተኣሳሰር ኣልኮል ዘለዎ መጽረዪ ኢድ (ሳኒታይዘር) ከመይ ይስራሕ? ዓቕሚ ምክልኻል ሕማማት ብኸመይ ተዕቢ? ዝብሉ ይእለሹ ነይሮም። ሓምሻይ ወለዶ (5ጂ) 'ኣብ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ እጃም ኣለዎ እዩ' ብዛዕባ ዝብል ዝምቡዕ ሓበሬታ፡ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ካብ ሞንጎ ብብዝሒ ሓበሬታ ክረኽብሉ ዝደለዩዎ'ዩ። ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ መረጻ ኣመሪካ፣ ዝርዝር ሓበሬታ ጆ ባይደንን ምኽትሉ ካማላ ሃሪስን'ውን ኣብ ሰለስቲአን ሃገራት ትኹረት ዝሰሓበ ዛዕባ ነይሩ። ብኻልእ ወገን ናይጄሪያውያን፡ ዜናታት ህቡባት ሰባት ክረኽቡ ይደልዩ ነይሮም። ፕሪሚየር ሊግ ዓዲ ኢንግሊዝ ኣብ ኬንያ እቲ ዝለዓለ ትኹረት ዝረኸበ ጉዳይ ኮይኑ፡ 'ፌም' ዝብል ሙዚቃ ኣፍሮ ቢት ዴቪዶ ኣብ ናይጄሪያ ብብዝሒ ኣብ ጉግል ተኣሊሹ። ደቡብ ኣፍሪቃውያን ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ፍሉጥ ዝኾነ ካብ ፍራምረ ዝስራሕ ኮክቴይል ማርቲን፡ ኣሰራርሕኡ ዝምልከት ንምፍላጥ ይእልሹ ነይሮም።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/55251860"} {"headline":"ናይጀርያ፡ ሓደ ቤት ትምህርቲ ብዕጡቓት ምስ ተጠቕዐ ኣማኢት ተምሃሮ ደሃዮም ጠፊኡ","content":"ኣብ ሰሜን ምዕራብ ናይጀርያ፡ ዕጡቓት ንሓደ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ምስ ኣጥቅዑ ፡ ብኣማኢቲ ዝቑጸሩ ተምሃሮ ናብ ዝኣተውዎ ኣይተፈልጠን ተባሂሉ። እቶም ዕጡቓት ብሞቶርሳይክል መጺኦም ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ተኹሲ ምስ ከፈቱ፡ ብዙሓት ሰንቢዶም ፋሕ ብትን ክብሉ ከምዝጀመሩ መሰኻኽር ዓይኒ ተዛሪቦም። እቲ መጥወቃዕቲ ኣብታ ሃገር ካጺና ኣብ ዝተብደሃለት ግዝኣት ዝርከብ መንግስታዊ ቤት ትምትህርቲ ሳይንስ ዝተፈጸመ ኾይኑ፡ ልዕሊ 800 ተምሃሮ ድማ ኣብኡ ይነብሩ። ትማሊ ቀዳም ሰራዊት እታ ሃገር፡ እቶም ዕጡቓት ዝተሓብእሉ ጣሻ ከምዝፈለጠን ከምዝተታኸሶምን ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ገና ብዝርዝር ኣይተፈልጠን፤ ዝተጎድኡ ተምሃሮ ምህላዎምን ዘይምህላዎን ኣይተሓበረን። ብዙሓት ተምሃሮ ግና ናብ ዝኣተውዎ ኣይተፈልጠን። ፕረዚደንት ናይጀርያ፡ ሙሓሙዱ ቡሃሪ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ እቲ ቤት ትምህርቲ ክንደይ ዝኣኽሉ ተምሃሮ ከምዝጠፍኡን መንነቶምን ከጻሪ ኣዚዙ ኣሎ። ደቆም ዝወሰዱ ተምሃሮ ድማ ከፍልጡ ጻውዒት ቀሪቡ። ኣብ ጥቓ እቲ ተምሃሮ ኣብኡ እናነበሩ ዝመሃሩሉ ቤት ትምህርቲ ዝነብሩ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ከምዝበልዎ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዓርቢ ናይ ምሸት ሰዓት 11 [5] እዩ ዝጀመረ ኾይኑ ንልዐዕሊ ሓደ ሰዓት ጸኒሑ። ሓጹር ዘሊሎም ኣምሊጦም ዝነበሩ ልዕሊ 200 ተምሃሮ ዝተመልሱ ኮይኖም፡ ዝተረፉ ግን ናብ ዝኣተዉዎ ኣይተፈልጠን። እቶም ዕጡቓት ብዙሓት ተምሃሮ ሒዞም ክኸዱ ከምዝረእዩ መሰኻኽር ዓይኒ ይዛረቡ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55292307"} {"headline":"ሂወት 9 ደቂ-ኣንስትዮ ዝቐዘፈ ዕሉል ናይጀርያዊ ቀታሊ ክሕነቕ ተፈሪዱ","content":"ሓደ ን9 ደቂ ኣንስትዮ ዝቐተለ ናይጀርያዊ ገበነኛ ኣብ ወደባዊት ከተማ ፖርት ሃርኮርት ንሞት ተፈሪዱ። ኣኽበርቲ ሕጊ ከም ዝብልዎ፡ ወዲ 40 ዓመት ግሬሼስ ዴቪድ-ዌስት፡ ነተን ግዳያት ናብ ሆቴል ብምውሳድ ሓኒቑ'ዩ ዝቐትለን ነይሩ። እቲ ቀታሊ፡ ካብ ሓምለ ክሳብ መስከረም 2019 ኣብ ዝነበረ እዋን'ዩ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ናይጀርያ ነቲ ገበን ፈጺምዎ። ኣብታ ሃገር፡ ናይ ሞት ፍርዲ ክፍጸም ንቡር ኣይኮነን- እቲ ዝደሓረ ፍጻመ ናይቶም ኣብ 2016 ዝተቐትሉ ሰለስተ ሰባት ጥራይ'ዩ ነይሩ። ሓንቲ ካብ ግዳያቱ ብሂወት'ኳ ክትድሕን እንተኸኣለት፡ ኣብቲ ናይ ፍርዲ መስርሕ ግን ምስክርነታ ኣይሃበትን። ዋላ'ኳ ካብቲ እትነብረሉ ዞባ ከይትወጽእ እንተ ተነግራ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣበይ ከምዘላ ከምዘይፍለጥ ሰብመዚ ገሊጾም። ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ናይታ ውልቀሰብ ጉዳይ'ውን ብፈተነ ቅትለት ገበነኛ ኮይኑ ረኺብዎ'ዩ። እቲ ቀታሊ፡ ዋላ'ኳ ካልኦት 6 ደቂ-ኣንስትዮ ከምዝቐተለ'ውን እንተ ተኣመነ፡ ጭብጢ ብዘይምርካቡ ብዛዕብኡ ክሲ ኣይቀረበሉን። ሰብመዚ ከምዝገለጽዎ፡ እተን ግዳያት ዝተቐትላሉ ኣገባብ ተመሳሳሊ'ዩ። ምስተን ግዳያት ጾታዊ ርክብ ድሕሪ ምፍጻም፡ ኣእጋረንን ኣእዳወንን ብዝተቐደ ጻዕዳ ኣንሶላ ይኣስረን ከምዝነበረ ጠቒሶም። ብዝተቐደ ጨርቂ ኣንሶላ ሓኒቑ ከምዝቐተለን'ውን ኣብቲ ቤት ፍርዲ ተገሊጹ። ዝበዝሓ ካብተን ግዳያት ፋይቶት ምዃነን ይፍለጥ። ብኸመይ'ዩ ክትሓዝ ኪኢሉ? ኣብ መጀመርታ፡ ብዘይ ሕጋዊ ጠበቓ ኣብ ዝተሓተተሉ ዴቪድ-ዌስት ዝፈጸሞ ገበናት ተኣሚኑ ነይሩ'ዩ። ዳኛ ቤት ፍርዲ ግና፡ \"ንክብደት ናይቲ ገበን\" ኣብ ግምት ብምእታው ብመስርሕ ቤት ፍርዲ ክሓልፍ ወሲኑ። ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ዝምልከቶም ሰብመዚ፡ ካልኦት ተሓባበርቲ ክህልውዎ ይኽእሉ'ዮም ዝብል ጥርጣረ ነይሩዎም። ይኹን እምበር ነዚ ዝድግፍ ጭብጢ ኣይረኸቡን። ኣብ መስከረም ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ እቲ ቅትለት ኣብ ዝለዓለ ደረጅኡ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ በቲ ቅትለታት ዝተቖጥዑ ዜጋታት ከተማ ፖርት ሃርኮርት፡ ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ሰብመዚ ነቲ ቅትለት ደው ከብልዎ ጠሊቦም። ኣብ 19 መስከረም ድማ፡ ካብታ ከተማ ክወጽእ ኣብ ዝፈተነሉ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። እቲ ገበነኛ፡ ካብ ሓደ ሆቴል ክወጽእ እንከሎ ዘርኢ ናይ 'ሲሲቲቪ' ስእሊ ምስ ተዘርገሐ፡ ቀልጢፉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተላቢዑ። ብድሕሪ'ዚ፡ ኣባላት ጸጥታ፡ ኣብ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ኣውቶቡስ ተሰቒሉ ናብ ካልእ ከባቢ ክኸይድ 45 ደቒቕ ምስ ተጓዕዘ ኣርኪቦም ሓዞሞ። ፖሊስ ከምዝበሎ፡ እቲ ገበነኛ ኣባል ናይ ሓደ 'ደይ ባም' ዝተባህለ ብቕዲ ማፍያ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ገበነኛት እዩ ነይሩ። እቲ ጉጅለ ኣካል ናይቲ ኣብ ሓደ እዋን ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ዕጡቓት ተቓወምቲ መንግስቲ ዝነበረ'ዩ። ነተን ግዳያት ንምቕታል፡ ግልል ዝበሉ ሕሱራትን ካሜራታት ዘይብሎምን ሆቴላት ይመርጽ ነይሩ። እተን ግዳያት ከመይ ዝበላ'የን? እተን ግዳያት፡ ማውሪን ኢዉሩ፡ ጀኒፈር ዎኮቻ፡ ሊንዳ ዋሪፓ፡ ብለሲንግ ኢፊዮንግ፡ ሮዝ ሳሙኤል፡ ከለቺ ብሪጂት ኦኑዎሃ፡ ፔሸንስ ሃሞን ኣንቶኒያ ኢበን ብዝብል ኣስማት ዝጽውዓ'የን። ብዘካ ኣብ መጀመርታ ናይቲ ፍርዳዊ መስርሕ ዝተቐልቀለ ኣቦኣ ንሓንቲ ካብኣተን፡ ቤተሰብን መሓዙትን ናይተን ግዳያት ኣብቲ ቤትፍርዲ ከምዘይተረኽቡ፡ ወኪል ቢቢሲ ሓቢራ። ዝበዝሓ ካብተን ግዳያት ፋይቶት ምዃነን ይፍለጥ። \"ከምዛ ዋላሓደ ሰብን ኣድራሻን ዘይበለን፡ መለለዪ ዘይብለን ዓይነት'ዩ ነይሩ\" ትብል ካሪና ኢጎኒኮን። መርመርቲ ከምዝብልዎ፡ እቲ ቀታሊ፡ ንግዳያቱ ወታሃደራዊ መኮንን ተመሲሉ፡ ብዙሕ ገንዘብ ክህበን ምዃኑ እናታለለ'ዩ ናብቲ ሆቴል ዝወስደን ነይሩ። ሓንቲ ካብኣተን፡ መዓልቲ ልደታ ንምብዓል ካብ ንግዳዊት ከተማ ናይጀርያ ዝኾነት ሌጎስ ምስ ከደት ከም ዝተቐትለት ጸብጻባት ሓቢሮም። \"ኣብቲ ኣዕሪፋትሉ ዝነበረት ሆቴል'ዮም ተራኺቦም። መስተ ሰትዮም ቁጽሪ ቴለፎን ተለዋዊጦም ከይዶም። ሞታ ከኣ ሽዓ ምሸት ረኺባቶ\" ክብል ሓደ መርማሪ ፖሊስ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። እቲ ገበነኛ፡ ነተን ግዳያት ቅድሚ ምቕታሉ፡ ከየእውያ ብካራ ከምዘፈራርሐን ፖሊስ ይገልጹ። \"እተን ግዳያት ዕርቃነን ወጺአን፡ ኣብ ኣእጋረን፡ ቅልጽመንን ክሳደንን ብጻዕዳ ጨርቂ ተኣሲረን ኢና ረኺብናየን። \"ዋላ'ኳ ርጉጽ መርትዖ እንተዘይተረኽበ፡ ናብ እምነት ዝተሓወሶ ኣገባብ ቅትለት ዘመልክት'ዩ፡ ኣነ ብውልቀይ ከምኡ ምዃኑ'የ ዝኣምን\" ይብል መርማሪ ኤከህ። እታ እንኮ ካብተን ዘይምሕራ ኣእዳው ናይቲ ቀታሊ ዘምለጠት ጓል 23 በኒታ ኤቲም፡ ሓደ ለይቲ ምስ ተራኸቡ ካብ ሞት ዝደሓነት'ያ። እታ ፋይቶት ዝነበረት በኒታ፡ ኣብቲ ናይ ፍርዲ መስርሕ ግን ምስክርነታ ኣይሃበትን። ዋላ'ኳ ካብቲ እትነብረሉ ዞባ ከይትወጽእ እንተ ተነግራ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣበይ ከምዘላ ከምዘይፍለጥ ሰብመዚ ገሊጾም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ግን፡ ብ18 ነሓሰ 2019 ከምዝረኸበቶን፡ ተተሓሒዞም ናብ ሓደ ሆቴል ምስ ከዱ፡ ብሓይሊ ድሕሪ ምዕማጹ፡ ብኻራ ከምዘፈራርሓን ምስ መንበር ከምዝኣሰራን ተዛሪባ ነይራ። \"ነቲ ናይ ዓራት ኣንሶላ ኣቕጢኑ ቀዲዱ፡ ኣእጋረይን ኣእዳወይን ኣሲሩኒ፡ ካልእ ጭርቂ ጌሩ ድማ ኣፈይ ኣሲሩኒ። \"ኡይ'ኳ እንተበልኩ፡ ቴለቪዥን ዓው ስለዘበላን፡ ኣብ ጥቓ'ቲ ክፍሊ ናይ መብራህቲ ጀነሬተር ስለዝነበረትን ዝሰምዓኒ ኣይረኸብኩን\" ኢላ። \"ከይቀትለኒ ለሚነዮ\" ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ቴለፎና ሒዙ ጥራይ ምስ ወጸ፡ ካልኣይ ኣይተመልሰን። ንጽባሒቱ፡ ከም ገለ ገይራ ኣብ ኣፋ ዝነበረ ጨርቂ ፈቲሓ ኡይ ምስ በለት፡ ሰራሕተኛታት ናይቲ ሆቴል መጺኦም ገላጊሎማ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54487910"} {"headline":"ናይጀርያ፡ ወታሃደራት ብዝፈጸምዎ ቅትለት ዝተቖጥዑ ናዕበኛታት ህንጻታት የቃጽሉ","content":"ኣብ ከተማ ሌጎስ፡ ንዝተፈጸመ ቅትለት ብምቅዋም ብዙሓት ናይጀርያውያን ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ ተቓውሞታቶም የስምዑ ኣሉ። ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ተዅሲ ከምዝተሰምዐ ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም። ትማሊ ሰሉስ: ሓይልታት ጸጥታ ናይጄርያ፡ ኣብ ከተማ ሌጎስ ንኢሰብኣውነት ተግባራት ፖሊስ ብምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ተኹሲ ከፊቶም 20 ሰባት ቀቲሎም፡ ካልኦት 50 ከምዘቑሰሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብዛዕባ እቲ ቅትለት እሙናት ምንጭታት ከምዘለውዎ ሓቢሩ። ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነበር ሂላሪ ክሊንተን እውን ነቲ ፍጻሜ ብምቅዋም፡ ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሓመድ ቡሃሪ ነቲ ቅትለት ደው ከብሎ ብትዊተር ጸዊዓ ኣላ። መንግስቲ ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ቅትለት ህጹጽ መርመራ ከካይድ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ። ድሕሪ እቲ ፍጻ፡: ኣብ'ታ ከተማ ን24 ሰዓታት ዝጸንዕ ሰዓታት እቶ እቶ ተኣዊጁ ኣሎ። እቶም ሰልፈኛታት ነቲ ሕጂ ዝተበተነ ኣንጻር ስርቅን ምጥፍፋእን ዝቖመ እሞ፡ በንጻሩ ዘይተኣደነ ግህሰት ዝፍጽም ዝነበረ ክፋል ፖሊስ እታ ሃገር ንኽፈርስ ንኽልተ ሰሙን ሰልፊ ከካይዱ ቀንዮም። ምስ ጋንታ ማንቸስተር ተሰሊፉ ዝጻወት ናይጀርያዊ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ኦዲዮን ጁደ ኢግሃሎ፡ መንግስቲ ናይጄርያ ንዜጋታቱ ብምቕታሉ “ብመንግስተይ ሓፊረ” ክብል ኣብ ትዊተር ብቪድዮ ኣብ ዝዘርገሖ መልእኽቲ ገሊጹ። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ናየኒ ጆንስ ዕጡቓት ወተሃደራት ናብቲ ሰልፊ ዘካይድ ዝነበረ ህዝቢ ተዅሲ ከምዝኸፈቱን ጭብጥታት ንምኽዋል ነቶም ዝወደቑ ሬሳታት ኣልዒሎም ከምዝኣለዩዎምን ሓቢሩ። እቲ ዘጋጠመ ፍጻሜን መውጋእትን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብቐጥታ ተዘርጊሑ እዩ። ስሙ ዘይተገልጸ ናይ ዓይኒ ምስክር፡ ፖሊስ፡ ልክዕ ሰዓት 6.45 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ናብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይድ ዝነበረ ተቓዋሚ ተዂሲ ከምዝኸፈቱ ሓቢሮም። “እናተኮሱ ኣትዮሙና። ኣብ ጥቓይ ዝነበረ ሰብ ከኣ ተሃሪሙ ወዲቑ ንእለቱ ሞይቱ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። “እቶም ፖሊስ ነቲ ናዕቢ ክብትኑ ንሰዓትን ፈረቓን ዝኸውን ተኲሶም። ነቲ ዝወደቐ ሬሳ ከኣ ኣልዒሎም ይወስዱዎ ነይሮም። እቶም ወተሃደራት መከላኸሊ ዕርዲ ስለዝሃነጹ ኣምቡላንስ ናብቲ ቦታ ብቐሊሉ ክኣትዋ ኣይከኣላን” ክብል ገሊጹ። ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት እውን ንሮይተርስ 'ፖሊስ ናብ ሰልፈኛታት ተዂሲ ከምዝኸፈቱ' ሓቢሮም። ሓደ ካብኦም ወዲ 55 ዓመት ኣልፍረድ ኦኖንገቦ ዝተባህለ፡ “ናብቲ እኩብ ህዝቢ ተዅሲ ከፊቶም ክልተ ሰባት ብጥይት ተሃሪሞም ክወድቁ ከኣ ብዓይነይ ርእየ” ክብል ምስክርነቱ ሂቡ። ኣፈኛ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዒሳ ሳኑሲ “ሰባት ካብ ፖሊስ ብዝተተኮሰሎም ጠያይቲ ሞይቶም ኣለው። ክንደይ ምዃኖም ከኣ ነጻርዮ ኣለና\" ኢሉ። ሰበስልጣን ናይጀርያ እንታይ ምላሽ ኣለዎም? ኣፈኛ ከንቲባ ሌጎስ ጉቦየጋ ኣኮሲል “ንንጹሃት ዜጋታት ንምክልኻል፡ ኣብ ትሕቲ ተቓውሞ ሳርስ ዝተኸወሉ ገበነኛታት ደው ንምባል ዝተኣወጀ ናይ 24 ሰዓታት እቶ እቶ ንምኽባር ብዘጋጠመ ተዅሲ ቅትለት ኣጋጢሙ ኣሎ። ህጹጽ መርመራ ከኣ ክካየድ እዩ” ክብል ብትዊተር ሓቢሩ። ብሮይተርስ ዝተሓተተ ኣፈኛ ሰራዊት ናይጄርያ ግን ምላሽ ክህብ ፍቓደኛ ኣይኮነን። እቲ ናዕቢ ብኸመይ እዩ ጀሚሩ? ቅድሚ ክልተ ሰሙን እቲ ስርቅን ምጥፍፋእን ክቆጻጸር ዝቖመ ግን ከአ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ ማህረምትን ቅትለትን ዝፍጽም ዝነበረ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ክፈርስ ኣለዎ ብዝብል እዩ እቲ ሰልፊ ክካየድ ቀንዩ። ፕረዚደንት ናይጄርያ ቡሃሪ ብ11 ጥቅምቲ ነቲ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ኣፍሪሱዎ እዩ። እንተኾነ ሰልፈኛታት ኣብ ሓይልታት ጸጥታን ምሕደራ እታ ሃገርን ዝያዳ ለውጥን ምትዕርራይን ብምጥላብ እዮም ሰልፎም ክቕጽሉ ጸኒሖም። ከንቲባ ሌጎስ ባባጂደ ሳንዎ-ኦሉ እቲ ሰልፊ ብገበነኛታት ተጨውዩ እዩ ክብል ተዛሪቡ።","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54626292"} {"headline":"ናይጀርያ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ክትከፍት እያ","content":"መንግስቲ ናይጀርያ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ክኽፈታ ኣዚዙ፡፡ ሚኒሰተር ትምህርቲ ናይጀርያ ኣዳሙ ኣዳሙ፡ መንግስቲ ናይጀርያ ኣብያተ ትምህርቲ ክኽፈታ ከምዝወሰነ ሎሚ ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ 12 ጥቅምቲ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ክኽፈታ ምዃነን ድማ ውሃብ ቃል እቲ ሚኒስትሪ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡ ክልላትን ናይ ውልቀ ኣብያተ ትምህርትን ድማ ዝኸፍታሉ ኣገባብ ክውስና ምዃነንን: ተቖጻጸርቲ ኣካላት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ድማ እተን ትካላት ምምሃር ዝጅምራሉ ግዘ ክውስኑ እዮም ኢሉ፡፡ ገለ ክልላት ናይጀርያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ጀሚረን እየን፡፡ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ተዓጽዮም ዝጸንሑ ኣብያተ ትምህርቲ ምኽፋት ሓዊሱ ኣንቢረንኦ ዝጸንሓ እገዳታት የልዕላ ኣለዋ፡፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዘበነ ትምህርቲ እዚ ዓመት ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ክጅመር ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝወሰነ ይዝከር፡፡ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ተዓጽየን ዝነበራ ኣብያተ ትምህርቲ ክኽፈታ ዝገበረት ናሚብያ፡ ዛጊድ ልዕሊ 300 ተምሃሮ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ገሊጻ ኣላ፡፡ ኣብ ናሚብያ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ልዕሊ 11 ሽሕ ዝበጽሐ ኮይኑ፡ 123 ሰባት በቲ ቫይረስ ሞይቶም ኣለዉ፡፡","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54392270"} {"headline":"ናይጀርያ ዝቐልጠፈ መመርመሪ ኮሮናቫይረስ ከምዝሰረሐት ገሊጻ","content":"ናይጀርያ ኣብ ውሽጢ 40 ደቒቕ ውጽኢት መርመራ ዝነግርን ንምምርማር ብዙሕ ሞያዊ ዓቕሚ ዘይሓትትን መመርመሪ ኮሮናቫይረስ ከምዝሰረሐት ገሊጻ፡፡ ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ኦሉሩኒምበ ማሞራ፡ እቲ ናይጀርያ ዝሰርሓቶ መመርመሪ፡ ካብቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ዘሎ መመርመሪ ፒሲኣር ቅልጡፍን ዋግኡ ድማ ብ 10 ዕጽፊ ዝነኣሰ ከምዝኾነን ገሊጹ፡፡ እቲ ገና ብተቖጻጸርቲ ኣካላት ዝረገጋጽ መመርመሪ፡ ንትሑት ዓቕሚ መርመራ እታ ሃገር ክሕግዝ ተስፋ ተገይሩሉ ኣሎ፡፡ እቲ ‘ሳርስ-ኮቭ-2 ኣይዞተርማል ሞለኪዩላር ኣሰይ’ ዝብል መጸውዒ ዝተውህቦ መሳርሒ ኮሮናቫይረስ፡ ብትካል ምርምር ሕክምና ናይጀርያ ዝማዕበለ ከምዝኾነ ሰብመዚ ሓቢሮም፡፡ ሓላፊ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ናይጀርያ ቦስ ሙስጦፋ፡ ድማ ነቲ መመርመሪ መሳርሒ እታ ሃገር ኣብ ምክልኻል እቲ ለበዳ ዘበርከተቶ ምህዞ ከምዝኾነ ተዛሪቡ፡፡ ብተወሳኺ፡ እቲ መሳርሒ ፍቓድ ምስረኸበ ቀልጢፉ ናብቲ ማሕበረሰብ ከምዝከፋፈል ሰብመዚ ሓቢሮም ኣለዉ፡፡ ኣስታት 200 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ናይጀርያ፡ ዛጊድ ልዕሊ 500 ሽሕ ምርመራ ኣካይዳ ኣላ፡፡ ኣብታ ሃገር ልዕ 58 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ እንትልከፉ፡ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ድማ ልሊዕ 1000 በጺሑ ኣሎ፡፡ ቁጽሪ መዓልታዊ ዝልከፉ ሰባት ግን ይንኪ ከምዘሎ ተገሊጹ፡፡","category":"ናይጄርያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54358894"} {"headline":"ብባርነት ንዝገዝኣ ‘ጎይታኣ’ ኣብ ቤት ፍርዲ ደው ኣቢላ ዝተዓወተት ሰበይቲ","content":"ሃዲዛቱ ማኒ-ካሮው፡ ገና ጓል 12 ዓመት ዕሸል እናሃለወት፡ ንናይቲ ከባቢ ባህላዊ ሓለቓ ተሸይጣ፡  \"ሓምሸይቲ በዓልቲ ቤት\" ክትከውን ዝተገደደት እያ። እታ ካብ ቢቢሲ 100 ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ ኮይና ዝተሓረየት፡ ማኒ፡ \"ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ህይወት እዩ ነይሩ። መሰል ኣይነበረንን፡ ከዕርፍ ኣይከኣልን፡ ኣይምገብን ነይረ፡ ዋላ ናይ ገዛእ ርእሰይ ህይወት ኣይነበረንን\" ክትብል ኣብ ደቡባዊ ኒጀር ካብ ዝርከብ ገዝኣ ኮይና ትዛረብ። ‘ዋሃያ’ ኣብ’ቲ ከባቢ ብሰፊሑ ዝተለምደ ዓይነት ባርነት ኮይኑ፡ ሃብታማት ደቂ ተባዕትዮ ንመንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ንጾታዊ ርክብን ንስራሕ ገዛን ብውሑድ ክሳብ 200 ዶላር  ገዚኦም፡ እንተበዝሐ ኣርባዕተ ኣንስቲ ዝፈቅድ እስላማዊ ሕጊ ንምዕጋት፡ ሓምሸይቲ ኣንስቲ ይገብርወን። ወይዘሮ ማኒ፡ ኣብ 1996 ተሸይጣ ን11 ዓመታት ባርያ ኮይና ኣሕሊፋ። መከራኣ ግን በዚ ኣይተዛዘመን። ኣብ 2005 ሓራ ወጺኣ ምስ ዝመረጸቶ ሰብኣይ ምስ ተመርዓወት፡ እቲ ብባርነት ዓዲጉዋ  ዝነበረ ሰብኣይ  ‘ኣብ ርእሲ ሓዳር ብምድራብ’  ከሲሱዋ፡ ወ\/ሮ ማኒ ነፍሰጾር እናሃለወት ተፈሪዳ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲራ። ኣብ መወዳእታ፡ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ጸኒሑ፡ እቲ ብይን ተገልበጠ። እዚ ድሑር ልምዲ፡ ዘይሕጋዊ ንምግባር ቀጻሊ ጻዕርታት እኳ እንተተገብረ፡ እቲ ነገር ኣብ ኒጀር ሱር ዝሰደደ  እዩ ነይሩ። ሕጂ ወይዘሮ ማኒ ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ዞባ ታሆዋ ኒጀር እትርከብ ከተማ ዞንጎ ካጋጊ ናይ ገዛእ ርእሳ ህይወት መስሪታ ትነብር፡ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ መሰለን ተረዲአን ካብ ባርነት ንኽድሕና ድማ ጎስጓስ ትገብር። ጉዳይ ሚስ ማኒ ኣብ ዓዳ እዚ ሕጊ ንኽቕየር ዓቢ ኣበርክቶ ነይርዎ። ይኹን እምበር፡ ሎሚ’ውን ልዕሊ 130 ሽሕ ሰባት ኣብ ኒጀር ባሮት ኮይኖም ከምዘለዉ መጽናዕቲ ‘ግሎባል ባርነት ኢንዴክስ’ ይሕብር። \"ሓሙሻይ ኣንስቲ\" ኣብቲ ዞባ ብዝርከቡ ሃብታማት ደቂ ተባዕትዮ ባሮት ይኾና፣ ብተወሳኺ ድማ ብ'ሳዳካ' ዝፍለጥ ተዛማዲ ልምዲ ከም ህያብ ይቐርባ። ክልቲኦም፡ ዋሃያን ሳዳካን፡ ከም ዓይነታት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ጾታዊ ርክብ ይቑጸሩ። ብመሰረት ሕጊ እስልምና ባሮት ጎይታአን፡ ኣርባዕተ ክምርዐው ዝፈቕደሎም ኰይኑ፡ እዘን ‘ሓሙሻይ ኣንስቲ’ ካብ ዕዳጋ ብመሸጣ ዝኣትዋ እየን ። ኣእምሮኣዊ፡ ኣካላውን ጾታውን መጥቃዕቲ ይበጽሐን። ብተደጋጋሚ መግብን ካልእ መሰረታዊ ድሌታትን ይኽልከላ። ዕዮገዛ ይሰርሓ፡ ጥሪት ይጓስያ፡ ኣእካል ክዘርኣን ክዓጽዳን ይግደዳ። እዚ፡ ኣብ ኒጀር ተዓዲጋ ዶብ ሰጊራ ናብ ናይጀርያ ምስ ተወሰደት ልሙድ ናብራ ሃዲዛቱ ማኒ-ካሮው እዩ ይሩ። እቲ ጽልዋ ዘለዎ ‘ሓለቓ’ ንዓኣን ንኻልኦት ሸውዓተ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ብሓንሳብ ብምዕዳጉ \"ጽቡቕ ዋጋ ዕዳጋ ከምዝረኸበ\" ትዛረብ። እቲ ዕድጊት ብዘይ ፍቓድ ንሳ ወይ ወለዳ ዝተገብረ እዩ። ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ፡ ናብ ኒጀር ተመሊሳ ክተምልጥ ፈቲና፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዋን ግን ተታሒዛ ናብ ናይጀርያ ክትምለስን ዝኸበደ መቕጻዕቲ ክገጥማን ርእያ። \"ልክዕ ከምተን ኣጣሉ፡ ስለ ዝገዝኣኒ ከም ድላዩ ክገብረኒ ይኽእል ነይሩ\" ትብል። ተዓሚጻ፡ ካብ ደቂ ብባርነት ዝሓዛ ክትወልድ ተገዲዳ። ልምዲ‘ዋሃያ’ ቅድሚ ሓያሎ ዘመናትዝጀመረ ኮይኑ ኣብ ሕብረተሰብ ኣዝዩ ሱር ዝሰደደ እዩ። በዓዳዊ ገዛእቲ ፈረንሳውያን፡ ኣብ መጀመርታ መበል 20 ክፍለ ዘመን ኣጊዶምዎ እኳ እንተነበሩ፡ ብተደጋጋሚ ግን ነቶም ገበነኛታት ካብ ምኽሳስ ሸለል ኢሎምዎም። ኣብ 1960፡ ብመሰረት ሓድሽ ቅዋም ኒጀር፡ ባርነት ዳግማይ ኣብ ወረቐት ዘይሕጋዊ ዀይኑ - ብተግባር ግን ቀጺሉ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ፡ እታ ሃገር ፡ ኣብ 2003 ዓ.ም. ነዚ ድሑር ልምዲ፡ ብሕጊ ከም ገበን ክቑጸር ኣዊጃ። ነዚ ውሳነ ስዒቡ፡ ሚስ ማኒ ናይ ናጽነታ ምስክር ወረቐት ተዋሂብዋ፡ ኣብ 2005 ድማ ምስ ክልተ ደቃን ክልተ ብጾታን ናጻ ወጺኣ። ከም ብሓድሽ ከም ነጻ ሰብ ክትነብር ጂመራ ኣላ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ምስ ናይ ሕጂ በዓል ቤታ ክትምርዖ ምስ ከደት ግን፡ እቲ ናይ ቀደም ‘ጎይታኣ’ ናብ ቤት ፍርዲ ወሲዱ፡ ብኽልተ መርዓ ከሲሱዋ። ወይዘሮ ማኒ፡ ብ 'ኽልተ ሓዳር' ገበነኛ ኮይና ተረኺባ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ተፈሪዳ። እዚ ውሳነ ኣብ 2019 እዩ ተሰሪዙ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኒጀር ኣብ ቤት ፍርዲ ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ (Ecowas) እውን ክሲ ኣቕሪባ፡ እዚ ድማ ፍሉይ ፍርዲ ንኽወሃባ ምኽንያት ኮይኑ። ዳያኑ፡ ኒጀር ነቲ ባርነት ዘካይድ ሰብኣይ ብዘይ ምፍራዳ፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ጸረ-ባርነት ሕግታት ኣፍሪሳ፡ ሕጋዊ ሓላፍነታ ከምዘይተዋጸአት ወሲኖም። ሚኒ፡ ኣብ 2009፡ 20 ሽሕ ዶላር  ተኽሒሳ፡ መንግስቲ ኒጀር ድማ ከፊልዋ። ወይዘሮ ማኒ፡ ንፍትሒ ኣብ ዝገበረቶ ቃልሲ ብናይ ኒጀር ጸረ-ባርነት ትካል ቲሚድርያ ን፡ ብሪጣንያዊ ዘይመንግስታዊ ትካል ጸረ-ባርነት ኢንተርናሽናልን ተሓጊዛ። ፕረዚደንት ማሕበር ቲሚድርያ ዓሊ ቡዞው፡ ኣብተን \"ስሉስ ኩርናዕ ሕፍረት\" ዝብል ስም ዝሃበን ሰለስተ ከባቢታት፡ ባርነት ክሳብ ሕጂ ኣስፋሕፊሑ ከምዘሎ ይዛረብ። \"ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ዝርከበን፡ ዋሃዮ ዝካየደለን ምሉእ ዓድታት ኣለዋ\" ይብል። ኣብ ኒጀር፡ ብመሰረት ሕጊ ጸረ ባርነት ገለ ክስታት ይምስረት ኣሎ። ኣብ መንጎ 2003ን መጀመርታ 2022ን 114 ጥርዓናት ባርነት ከምዝቐረቡን ካብዚኦም 54 ክስታት ከምዝተመስረቱን፡ ሽዱሽተ ፍርዲ ከምዝተውሃቦምን ሚስተር ቡዙ ይዛረብ። እዚ ሕጋዊ ውግእ ግን ካብ ምዕዋት ዝረሓቐ እዩ። እቶም ምስ ባርነት ዝተኣሳሰሩ ገበናት፡ ገበነኛታት ኮይኖም ዝተረኽቡ ካብ 10 ክሳብ 30 ዓመት ዝበጽሕ ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ ክወሃቦም ዝግበኦ ኮይኑ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈርዱ ግን ኣዝዩ ዝሓጸረ ኮይኑ፡ ትሕቲ 10 ዓመት እዩ። ነቲ ጉዳይ ንምፍታሕ ሰፊሕ ስጉምትታት ክውሰድ ክኢላታት ይጽውዑ ኣለዉ። ትካል ሚስተር ቡዞው፡ ባህላውያን ሓለቕቶት - መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ እዚ ተግባራት ዝኾኑ - ስልጣኖም ክምንጠሉ ከምዘለዎም ይመክር። ብተወሳ ልምዲ 'ዋሃያ' ምስ እስላማዊ ሕጊ ዝሰማማዕ እዩ ዝብል ሰፊሕ ግጉይ ኣረኣእያ ክቕረፍ ጸዊዑ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ባርነት ዓለማዊ ጸገም ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬፕታውን ዲን ሕጊን ኣቦ መንበር ትራስት ፋንድ ሕቡራት ሃገራትን፡ ፕሮፌሰር ዳንውድ ቺርዋ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ባርነት እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ይገልጽ። ብዓለም ደረጃ 50 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ባርነት ዝነብር ከምዘሎን ካብዚኦም 7 ሚልዮን ካብ ኣፍሪቃ ከምዝኾኑን ብ2022 ብኣህጉራዊ ውድብ ዕዮ፡ ኣህጉራዊ ውድብ ስደትን ዋክ ፍሪን ዘቕረቦ ጸብጻብ ብምውካስ፡ ይጠቅስ። \"ሃገራት ኣፍሪቃ ኣህጉራዊ ግዴታታተን እናፈጸማ፡ ኣብ ውልቃዊ ግዝኣተን ብኹሉ መልክዑ ኣንጻር ባርነት ሕጊ ስለዘየውጽኣ፡ ኲናት ኣንጻር ባርነት ከቢድ ኮይኑ'ሎ\" ይብል ፕሮፌሰር ቺርዋ። ሎሚ፡ ሃዲዛቱ ማኒ፡ ካብ ሓደ ክሳብ 21 ዓመት ዝዕድሚኦም ሸውዓተ ቆልዑ ዝሓቖፈት፡ ሕጉስ ሓዳር ዘለዋ ኣደ እያ። ንሳ ንብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ፡ እንተላይ ንሓፍታ፡ ካብ ባርነት ሃዲመን ነጻን ኣፍራይን ህይወት ክነብራ ሓጊዛ እያ። \"ብፍላይ እተን ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ናጽነተን ብሕጊ ዝተሓለወ ክኸውን እየ ዘምህረን\" ትብል። \"ንዓይ ዘጋጠመኒ ሓንቲ ነገር'ውን ኣይጣዓስን'የ... ብኸንቱ ኣይነበረን፡ ስቅያተይ ንጉዳይ ዋሃያ ንዓለም ኣጉሊሑዋ እዩ\"።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyjeznle8eeo"} {"headline":"ደቀን ኣብ ውሽጢ ሳንዱቕ ገዲፈን ዝኸዳ ሓራሳት","content":"ምዝዛም ሕገ መንግስታዊ መሰል ምንጻል ጥንሲ ኣብ ውጽኢት መረጻ መፋርቕ ኣሜሪካ ልዑል ተራ ተጻዊቱ እዩ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ሓጋይ መሰል ምንጻል ጥንሲ ንምቕልባስ ኣብ ዝሓሰበሉ እዋን ዝተጠቕመሉ ሓደ ስነ-መጐት፡ ሕግታት ውሑስ መዕቆቢ ኣክንዲ ምቍራጽ ጥንሲ ኣማራጺ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ነይሩ። እዞም ውሑስ መዕቆቢታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዝኣታት ኣለዉ፤ ዝተጸገማ ኣደታት ድሕሪ ምውላደን ነዊሕ ከይጸንሓ መንነተን ከይገለጻን ከይተኸሰሳን ዕሸላተን ኣብዘን ዝተመደባ ቦታታት ገዲፈን ክኸዳ ይኽእላ እየን። እዚ ዛንታ በቲ ሕጊ ውሑስ መዕቆቢ ዝተጸልዉ ሰለስተ ሰባት እዩ። ኣብ ሓደ ካብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ቆላታት ኣሪዞና፡ ጸልማትን ዝናብ ዘለዎን ክረምቲ እዩ ነይሩ። ሚሸል፡ ሓቀኛ ስማ ከይግለጽ ስለዝሓተተት ስማ ተቐይሩ እዩ - ንሳ ኣብ ዝተነጸለ ጽርግያ መኪና እናዘወረት ከላ፡ ደው ክትብል ተገዲዳ። \"ኣዝዩ ቃንዛ ነይሩኒ - ናብ ሆስፒታል ንምኻድ ክምለስ ኣይከኣልኩን\" ክትብል ትዝክር። ካብ ከተማ 20 ማይልስ ርሒቓ ኣብ ጥቓ ሓደ ውሕጅ፡ ሚሸል ኣብ ውሽጢ መኪና ሓሪሳ። \"ዘፍርሕ እዩ ነይሩ፣ ክጽሊ ጥራይ ይዝከረኒ። ንማማ ይጽውዓ ነይረ... ማማ ደልየያ ነይረ።\" ሚሸል ክትወልድ ከላ፡ ዓባይ ጓላ ኣብ ድሕሪት ኮፍ መበሊ እታ መኪና ደቂሳ ነይራ። ኣብቲ ጸልማት፡ ሞባይላ ባትሪ ስለዝወድአ፡ ን15 ደቓይቕ ኮፍ ኢላ፡ ነታ ሓዳስ ውላዳ ብኮቦርታ ጠቕሊላ ኣብ ጉልበታ ኣቐሚጣታ። ድሕሪኡ ሞተር መኪናኣ ኣልዒላ ብቕልጡፍ ክትዝውር ጀሚራ። ሚሸል ከም ዝጠነሰት ዝነገረቶ ሰብ ኣይነበረን። ኣዝያ ፈሪሓ ነይራ። ኣቦ ዓባይ ጓላ ክትግምቶ ዘይከኣል ሰብ እዩ። ካብኡ ተፈልያ እያ። ምስቲ ኣቦ ሓድሽ ህጻና ድማ ኣይትራኸብን። ናብ ጸበባ ከምዝኣተወት ኰይኑ ተሰሚዕዋ። ኣብቲ ኣብ ቀረባ ዝረኸበቶ ሆስፒታል ደው ኢላ። ብዛዕባ ሕጊ ውሑስ መዕቆቢ ኣሪዞና - እታ ዕሸል ክሳብ ዘይተጐድአት፡ ስማ ከይገለጸት ብዘይ ክሲ ንውላዳ \"ክተረክብ\" ከምእትኽእል - ትፈልጥ ነይራ። ስለዚ እታ ህጻን ኣብ ሕቝፋ ሒዛ ናብ መቐበሊ ኣጋይሽ ተጓየየት። \"ምስ ክፍሊ ጻዕሪ ሕማም ሕርሲን ሕርስን ክራኸብ ሓቲተ። መጺኦም ኣዛሪቦምኒ፡ ኣነ ድማ 'ነታ ህጻን ክህቦም እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ ዝኸውን ዝመስለኒ' ኢለ ነጊረዮም። ካብ ኣቦ ዓባይ ጓለይ ውሕስቲ ክትከውን ጥራይ እየ ዝደሊ።\" ሚሸል ነታ ህጻን ናብተን ኣለይቲ ሕሙማት ኣረኪባታ። ሕጂ ካልኦት ስድራቤት ነታ ህጻን ወሲዶም ከም ውላዶም ከምዘዕብይዋ ትፈልጥ እያ። ኣብ ሆስፒታል ዝጸንሓትሉ ግዜ ሰለስተ ደቓይቕ ኣይመልእን። ንሄዘር በርነር ውዕዉዕቲ ተጣባቒት ውሑስ መዕቆቢታት ክትከውን ዝደረኻ ሞት ሓደ ሓድሽ ህጻን እዩ። ቅድሚ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣብቲ ከም ኣላይት ህጻናት (ነርስ) ኰይና እትሰርሓሉ ዝነበረት ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ሆስፒታል ፎኒክስ ኣብ ፈረቓ ስራሕ ነይራ። \"ሓንቲ ጓል 15 ዓመት ቈልዓ መጺኣ ብዛዕባ ቃንዛ ከብዲ ኣማረረት። ኣገደስቲ ምልክታት ምስ ተመርመረት ናብ ሽቓቕ ከይዳ። ንውላዳ ባዕላ ወሊዳ ኣብ ሳንዱቕ ጓሓፍ ኣእትያቶ። ድሕሪ 20 ደቓይቕ ኣቢሉ ድማ ሓንቲ ኣላዪት ገዛ ረኺባቶ። ህይወት ዘድሕን ጻዕርታት ፈቲንና ግን ኣይተዓወትናን።\" ዋላ'ኳ መርትዖ እንተሃለወ፡ እታ መንእሰይ፡ እቲ ህጻን ናታ ምዃኑ ነጺጋቶ። ብሓደ ኣባል ስድራቤት ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝኾነት ተጠርጢሩ። \"ኣዝዩ ዘሰንብድ'ዩ ነይሩ\" ትብል ሄዘር። ሕጂ ዳይረክተር ፕሮግራም ውሑስ መዕቈቢ ኣሪዞናን ከምኡ’ውን ፈጻሚት ዳይረክተር ሃገራዊ ኪዳን ውሑስ መዕቆቢ (NSHA) እያ። ካብ 1999 ኣትሒዙ 4,687 ዕሸላት ብሃገር ደረጃ ከም \"ዝተገደፉ\" ትኣምን። ሃገራዊ ኪዳን ውሑስ መዕቆቢ ናይ ሓገዝ መስመር ተሌፎን ኣለዎ፣ ኣብ ወርሒ ካብ 60 ክሳብ 100 ተሌፎን ይቕበል። ኣብ ሰነ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ መሰል ምንጻል ጥንሲ ክመያየጥ እንከሎ፡ እቲ ብ300 ሚእታዊ ዝዛየድ ግዜ ተሌፎን ተደዊሉ ነይሩ። ጸረ ምንጻል ጥንሲ ዝዀኑ ጕጅለታት፡ ሕግታት ውሑስ መዕቆቢታት ኣድላይነት ምቍራጽ ጥንሲ ከምዘወግድ ንነዊሕ እዋን ክምጕቱ ጸኒሖም እዮም፣ እዚ ኣረኣእያ ድማ ኣብ እዋን መስርሕ ፍርዲ ተቓሊሑ እዩ። ናብ ሃገራዊ ኪዳን ውሑስ መዕቆቢ ዝድውሉ ሰባት፡ ንሓደ ህጻን ኣብ ውሑስ መዕቆቢ ናይ ምግዳፍ ምኽሪ ናይ መወዳእታ ኣማራጺ እዩ። እቲ ትካል፡ ወለዲ ነቶም ቈልዑ ንኸየዕብዮ ዝዓግቶም እንታይ ኢሉ ከምዝሓትት ሄዘር ትገልጽ። \"መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ምኽንያት እቲ ህጻን ዘይኮነስ ኵነታቶም'ዩ። ገዛ የብሎምን ድዮም? ክንክን ህጻናት የድልዮም ድዩ? ቃል ብቓሉ ንሓንቲ ኣደ ናይ ኤሌክትሪክ ሕሳብ ከፊለላ እየ፡ እዚ ድማ ነቲ ዝቕጽል ነገር ክትጻወሮ ከምእትኽእል ክስምዓ ገይርዋ።\" ገለ ደቂ ኣንስትዮ ደወልቲ ደቀን ምዕባይ ይቕጽላ። ካልኦት ድማ ብስሩዕ ካልኦት ወለዲ ከም ደቆም ከዕብይዎም ይመርጻ፣ ምናልባት'ውን ነቲ ውላደን እትወስድ ስድራቤት ይመርጻን ምስታ ስድራ’ውን ይራኸባ። ገሊኣተን ግን ዕሸላተን ኣብ ውሑስ መዕቆቢ \"የረክባ\" እየን። ፖርተር ኦልሰን ምስቶም ዘዕበይዎ ስድራኡን ዘምልኾ ከልቡን ይነብር። ፖርተር ናብ ካምፕ ምኻድ፡ ኣትክልቲ ምክንኻንን መግቢ ምብሳልን ዝፈቱ ወዲ 11 ዓመት ብርቱዕ ቈልዓ እዩ። ኣብ 2011 ስድራቤት ኦልሰን ካብቲ ዝተመዝገብሉ ትካል ተደዊሉሎም። \"ቈልዓ ከምዝተረኸበልና ነጊሮሙና\" ይብል ማይክል ኦልሰን። ሽዑ ንበዓልቲ ቤቱ ኒኮል ሰለስተ ቃላት ጥራይ ጽሒፉ \"ቤስት ዴይ ኤቨር\" – ማለት’ውን ክሳብ ሎሚ እታ ዝበለጸት መዓልቲ። ኒኮል ኣብ ክፍሊ ትምህር ነይራ። \"ንርእሰ መምህረይ ደዊለ፡ 'ብዛዕባ ናይ ወሊድ ዕረፍቲ ክፈልጥ ኣለኒ' ኢለያ። ንሳድማ፡ ‘ስለምንታይ፧ ጥንስቲ ዲኺ?’ ኢላትኒ። ኣነ ድማ፡ 'ኣይፋልን ግን ቈልዓ ረኺበ ኣለኹ - ሎሚ!' ኢለያ።\" ኣደ ፖርተር ኣብ ሓደ ሆስፒታል ኣብ ሳንዱቕ ህጻናት እያ ገዲፋቶ ከይዳ። ኣብ ኣሪዞና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ቈልዑ ወሲዶም ዘዕብዩ ስድራቤት ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ይርከቡ እዮም። ከምኡ’ውን ከም ስድራቤት ኦልሶን፡ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ህጻኖም ዝፈልጥዎ ነገር ፍጹም ዘይክህሉ ይኽእል። \"እዚ ብሓቂ ኣይተገደስኩሉን - ብሓባር ክንዓቢን ቀስ ብቐስ ክንፈልጦን ኢና ኢለ ጥራይ እየ ሓሲበ\" ትብል ኒኮል። ይዅን እምበር፡ እቶም መጻምድቲ፡ ንባዕሉ ንፖርተር ዝያዳ ሓበሬታ እንተሃልይዎ ጠቓሚ ክኸውን ከም ዝኽእል ተሰሚዕዎም። \"ስለዚ ሓደ መዓልቲ ኣደይ መርመራ ዲኤንኤ ክትገብረለይ ወሲዳትኒ። ኣነ ዝዀንኩ እንተዀንኩ፡ ንሳ ነዚ ከተብዕሎ እያ\" ይብል ፖርተር ነቲ ዛንታ እናቐጸለ። \"እቲ መርመራ ጌርና፡ እቲ ሓኪም ድማ 'እንቋዕ ሓጐሰካ! ኵሉ ከተብዕል ኢኻ!' ኢሉኒ። ኣነ ኣውሮጳዊ፡ ደቀባት ኣሜሪካዊ፡ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃዊን ምብራቕ ኤስያዊን እየ።\" ፖርተር ብዛዕባ ናይ ብሓቂ ወለዱ ዝያዳ ንኽፈልጥ ዝኽእለሉ ኣገባብ የለን። ስለዚ ድማ እዮም ገለ ብስድራቤት ዝዓበዩ ደለይቲ ፍትሒ ንሕግታት ውሑስ መዕቆቢ ዘይቅበሉ። ኣንስታዊ ምሁራት’ውን ብመጀመርታ ምጥንጣን ሕጻን ከገድድ ዝኽእል ማሕበረ-ቁጠባዊ በደላት ምፍታሕ ብዘይምኽኣለን ነቒፈንኦ እየን። ሓንቲ ሰበይቲ ንውላዳ ንዘልኣለም ክትህብ ዝነበራ ውሳነ ካልኣይ ግዜ እንተሓሰበትሉኸ እንታይ ይኸውን? \"ገለ ግዝኣታት ብርግጽ እታ ኣደ ነቲ ቘልዓ ክትመልሶ እትፍትነሉ ዝተቐመጠ እዋን ኣለወን\" ትብል ምክትል ዓቃቢ ሕጊ ዞባ ማሪኮፓ ኬት ሎውደንስላገል። \"ኣብዚ ኣሪዞና ግን ሓሳበን ንዝቕይራ ኣደታት ኣማራጺ የብልናን። እቲ ቈልዓ ምግዳፈን ንባዕሉ ከም ምሕዳግ እዩ ዝቝጸር። ሓደ ኣቦ፡ ኣቦ እቲ ቈልዓ እየ ኢሉ እንተኣሚኑ ኣቦነቱ ክፍለጥ ኣብ ምዝገባ ኣቦታት ከፍልጥ 30 መዓልታት ኣለዎ።\" \"ገጻ ካብ ርእሰይ ከውጽኦ ኣይከኣልኩን\" ትብል ሕጂ ብዛዕባ እታ ንኣለይቲ ዘረከበታ ህጻን። ሚሸል ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ናብ ሃገራዊ ኪዳን ውሑስ መዕቆቢ ደዊላ። ሄዘር በርነር ነዛ ዝተጨነቐት መንእሰይ ኣደ ክትጣበቕ ጀሚራ። \"ኣዝያ ዕድለኛ እያ\" ትብል ፈጻሚ ዳይረክተር ሃገራዊ ኪዳን ውሑስ መዕቆቢ። እቶም ነታ ህጻን ዝከናኸኑ መጻምድቲ ክመልሱላ ተሰማሚዖም። ሚሸል ድሕሪ 33 መዓልቲ ውላዳ ተመሊሳትላ። ውላዳ ዳግማይ ምርኣያ ኣብ ዓለም እቲ ዝበለጸ ስምዒት እዩ ነይሩ ትብል ሚሸል። እቶም መጻምድቲ እንተዝኣብዩ ሚሸል ኣብ ቤት ፍርዲ ክትቃለስ ምተገደደት። ሚሸል፡ ምናልባት ጽቡቕ ስለ ዝረኸበት ምስ ቢቢሲ ብምዝርራባ ተሓጒሳ እያ። እተን ውላደን ዳግማይ ክርእያ ዘይክኣላ ኣሽሓት ኣደታትከ እንታይ ይዀና? ምናልባት እዚ ንዓኣታተን እቲ ዝበለጸ ወይ እንኮ ኣማራጺ ነይሩ። ኣይንፈልጥን ኢና፡ ምኽንያቱ ዛንታታተን ብግልጺ ዘካፈላ ዳርጋ የለዋን።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cn0zz631zxgo"} {"headline":"ሰራዊት ፓኪስታን ንግዳያት ውሕጅ የድሕን ከምዘሎ ተገሊጹ","content":"ኣብ ፓኪስታን ሓደ ሲሶ መሬት እታ ሃገር ብውሕጅ ኣዕለቕሊቁ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ንግዳያት ውሕጅ ንምድሓን ይረባረብ ከምዘሎ ተሓቢሩ።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2pddjj9y4o"} {"headline":"ኣብ መቕለዊ ባዴላን ሜክኣፕን ዝርከቡ 'ጐዳእቲ ከሚካላት'","content":"ተመራመርቲ፡ ናብ 'ፒኤፍኤኤስ' [PFAS] ናብ ዝተባህለ ከሚካል ምቅላዕ፡ መንሽሮን ጸገማት ወሊድን ዝኣመሰለ ከቢድ ጥዕናዊ ሳዕቤናት ከም ዘኸትል ገሊጾም። እዚ ከሚካል፡ ካብ መቕለዊ ባዴላን ሜክኣፕን [መመላኽዒ] ዝኣመሰሉ መዓልታዊ እንጥቀመሎም ኣማኢት ነገራት ዝርከብ ኰይኑ፡ ማይ ዘይትን ቀለምን ዝጸዓወር ብምዃኑ ኣዝዩ ኣገዳሲ ባእታ ይገብሮ። እዞም ኣቝሑ ድማ፡ እቲ ኬሚካል ከምዘይጠፍእ ይገብርዎ። ሕጂ ግን ተመራመርቲ፡ ነዚ ‘ፎርኤቨር ኬሚካል’ ብትሑት ወጻኢ ንምጥፋእ ዘኽእሎም ሓድሽ ሜላ ከም ዝረኸቡ ገሊጾም ኣለው። ፒኤፍኤኤስ፡ ንጥረ ነገራት ‘poly- and perfluoroalkyl’ ዝገልጽ ኰይኑ፡ ካብዞም ፍሎራይን ዝተመስርሑ ኣስታት 45 ሽሕ ዝዀኑ ውሁዳት ኣለው። እዚኦም ኣብ ገዛና እንረኽቦም ፍርያት መዐሸጊ መግቢ፡ ዘይጣበቕ መብሰሊ መግቢ፡ መከላኸሊ ዝናብ፡ ወረቐትን ቀለማትን ዝኣመሰሉ እዮም። ብተወሳኺ፡ እዞም ንጥረ ነገራት ብደረጃ ዓለም ብዝተሓተ መጠን ካብ ዝናብ ኣብ ዝርከብ ማይ’ውን ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ’ዩ። ይዅን’ምበር፡ ብዝለዓለ ደረጃ ናብ ውሽጢ ማይ ወይ መሬት ዘሪቘም እንተኣትዮም ጐዳእቲ ክዀኑ ይኽእሉ። ብሰንኪ እዚ ዝህሉ ተቓላዕነት ጥዕናዊ ጸገማት ንምፍላጥ ከኣ ቀጻሊ መጽናዕታት ይግበሩ ኣለው። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫድ ፕሮፌሰር ከሚስትሪ ከባቢ ዝዀነት ኤልሲ ሰንደርላንድ፡ “ኣብ ኵሉ ኣካላትና፡ ኣብ መንጐ ተቓላዕነትን ጐዳኢ ሳዕቤንን ዝዀነ ዓይነት ዝምድና ኣሎ’ዩ” ትብል። ፒኤፍኤኤስ ንምጥፋእ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝጸንሐ ኣገባብ፡ ምቅጻል ኰይኑ ኣዝዩ ልዑል ሙቐት ዝጠልብን ክቡርን ኰይኑ፡ ኣመና ውጽኢታዊ ኸኣ ኣይኰነን። ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ኖርዝዌስተርን ግን፡ ሕጂ ብዝተሓተ ወጻእን ዝተሓተ ሙቐትን ተጠቒምካ እዞም ኬሚካላት ምጥፋእ ይከኣል እዩ ይብሉ ኣለው። ፒኤፍኤኤስ፡ ብዙሕ ካርበንን ፍሎራይንን ዝሓዘ ስለ ዝዀነ፡ ንምጥፋእ ኣጸጋሚ ኰይኑ ጸኒሑ። ሕጂ፡ ሶዲየም ሃይድሮክሳይድ ብምጥቃም ክጠፍእ ከም ዝኽእል እቶም ተመራመርቲ ይገልጹ ኣለው። ሶድየም ሃይድሮክሳይድ፡ ኣብ ከም ሳሙና፡ መዐገሲ ቃንዛ ዝበሉ ኣብ ገዛና እንረኽቦም ምህርታት ዘሎ ከሚካል እዩ።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c80qnrxxpgyo"} {"headline":"ዕርቃን ስእሊ ደቀንስትዮ እናሸጡ ዝናበሩ ሸፋቱ ኢንስታግራም","content":"ኣብ ኢንስታግራም፡ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ከኣ እተን ኣካለን ቀሊዐን ዝስኣላ ጸገማት የጋጥመን ኣሎ። ደቀንስትዮ ዕርቃነን እንከለዋ ዘርኢ ስእሊ እናሸጡ ናብራኦም ዝመርሑ ሸፋቱ ኢንስታግራም ኣብዚ እዋን ተቐልቂሎም ኣለዉ። እዞም ሸፈቱ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ስእሊ ዝዀነት ጓለንስተይቲ ሰሪቘም፡ ብሓገዝ ኮምፒተር ኣመዓራርዮም [ኤዲት ገይሮም]፡ ነቲ ከፊላዊ ዕርቃኑ ዝነበረ ኣካላ ምሉእ ብምሉእ ዕርቃና ከምዝዀነት ኣምሲሎም’ዮም ናብ ዕዳጋ ዘቕርብዎ ዘለዉ። እዚ ኣሳእል ኣብ ‘ሬዲት’ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ መተግበሪ’ዩ ንዕዳጋ ዝቐርብ። ሬዲት ልክዕ ከም ፈይስቡክን ትዊተርን መተግበሪ ማሕበራዊ ሚድያ ኰይኑ፡ ኣብ 2005’ዩ ብወግዒ ጀሚሩ። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ንሓደ ካብቶም፡ ዕርቃን ስእሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝሸይጥ ውልቀሰብ ንምርካብ ዘካየደቶ ጻዕሪ ይስዕብ። “ንሓደ ጓል ኣንስተይቲ ዕርቃና እንከላ ዘርኢ ስእሊ፡ ብ5 ፓውንድ፡ ዓቢ ምጕዳል ዋጋ’ዩ” እቲ ስእሊ ዝሸይጥ ንዓማዊሉ ምውዕዋዕ ይገብር። ዕዳጋ ዝሕል ክብሎ እንከሎ ኸኣ፡ “ስእሊ ጥራይ ዘይኮነ ዕርቃና ዘርኢ ቪድዮ’ውን ኣሎና” ይብል። እዚ ሰብ ዚፓማድ’ዩ ዝበሃል፡ ካብቶም ኣብ ሬዲት ደቂ ኣንስትዮ ዕርቃነን ዘርኢ ስእልታት ካብ ዝሸጡ ሓደ እዩ። ንሱ ኣብ ዝመስረቶ፡ ብዙሕ ሰብ ዘለዎ ጕጅለ ሬዲት፡ ናይ ሓንቲ ዕርቃና ጓል ስእሊ ተለጢፍዎ ኣሎ። ብኻልእ ኣዘራርባ ስእሊ ናይዛ ጓል ንኽሽየጥ'ዩ ንጨረታ ወሪዱ ዘሎ። ኣብ ትሕቲ እቲ ስእሊ፡ ርእይቶ ዝተፈላለዩ ሰባት ሰፊሩ'ሎ። እቲ ዝወሃብ ርእይቶ “ሕማቕ’ዩ” ጥራይ ኢልካ እትገልጾ ኣይኮነን። ሓደ ካብ ወሃብቲ ርእይቶ፡ ነታ ስእላ ተለጢፉ ዝነበረ ጓለንስተይቲ ክዕምጻ ከምዝደሊ ብጽሑፍ ኣስፊሩ ኣሎ። እዛ ጓል ስእላ ካብ ኢንስታግራም ተወሲዱ’ዩ ኣብዚ ንዕዳጋ ቀሪቡ ዘሎ። እቲ ኣሳእል ብዝተፈላለየ መንገዲ’ዩ ናብ ከም ዚፓማድ ዝኣመሰሉ ሸፋቱ ማሕበራዊ ሚድያ ዝኣቱ። ሓደ ካብቲ ኣገባብ፡ ነተን ደቂ ኣንስትዮ የዕሩኽተን ዝነበሩ ንኽፋእ ወይ ንሕነ ምፍዳይ ኢሎም ናብ ኢድ እዞም ሸፈቱ ማሕበራዊ ሚድያ ኣሕሊፎም ስለዝህብዎም’ዩ። ኣብ ‘ሬዲት’ ንደቂ ኣንስትዮ ዕርቃነን ዘርኢ ስእልታት ጥራይ ኣይኮነን ዘሎ፤ ስጋዊ ርክብ እናፈጸማ ዘርኢ ቪድዮታት’ውን ንዕዳጋ ይቐርብ’ዩ። ብዙሓት ሕነ ንምፍዳይ ኢሎም ናብዞም ሸፋቱ ማሕበራዊ ሚድያ ኣሕሊፎም ዝህብዎ ኣሳእል፡ ቀስ ኢሉ ካብ ቍጽጽሮም ወጻኢ’ዩ ዝኸውን። ክጥዓሱ’ውን ይኽእሉ’ዮም፣ እንታይ’ሞ ይዓብስ እቲ ኣሳእልን ቪድዮታትን ቀልጢፉ’ዩ ኣብ ኢድ ኣሽሓት ዝበጽሕ። እቶም ነዚ ዕዳጋ ዝፍጽሙ ሰባት ካልእ ሰልዲ ዝረኽብሉ ኣገባብ’ውን ፈጢሮም’ዮም። ነታ ኣብ ስእሊ ዘላ ጓል ኣንስተይቲ መን ምዃናን ኣድራሻኣን ፈሊጦም፡ ክንድዚ ክፈልና ነቲ ስእሊ ወይ ቪድዮን ክንኣልዮ ብምባል ዘይተኣደነ ሰልዲ ይሓቱ። እቲ ‘ሬዲት’ ዘበሃል መተግበሪ፡ መዓልታዊ ልዕሊ 50 ሚልዮን ተጠቐምቲ ዘለዉዎ ዓቢይ ማሕበራዊ ሚድያ እዩ። ሰለዚ ሓንሳብ ኣብቲ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተለጠፈ ስእሊ ይዅን ቪድዮ፡ ካብ ኵሉ ከብሕታት እቲ ማሕበራዊ ሚድያ ክድምሰስ ቀሊል ኣይኮነን፤ ግዜ ይወስድ'ዩ። ኣብዚ ዓመት ናይ ብዙሓት ሰብ ዝና ደቂ ኣንስትዮ፡ ስጋዊ ርክብ ዝፍጽማ ዘለዋ ኣምሲሉ ዝተዳለወ ቪድዮታት ኣብ ከብሕታት እቲ ማሕበራዊ ሚድያ ቀሪቡ’ዩ። ናይ ገሊአን ከኣ ብሓቂ ነቲ ተግባር እናፈጸመኦ እንከለዋ ብሕቡእ ካሜራ ዝተሰኣለ’ዩ። እንተዀነ ‘ሬዲት’ ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ስእልታትን ቪድዮታትን ንኽድምስሶም ብዙሕ ግዜ’ዩ ወሲድሉ። ‘ሬዲት’፡ ሰብ ዝና ደቂ ኣንስትዮ ስጋዊ ርክብ ኣናፈጸማ ዘምስል ቪድዮ ዝሰንዑ ገለ ሰባት ሕሳቦም ዓጽዩሎም'ዩ። ኣብ ‘ሬዲት’ ንመሸጣ ካብ ዝተዘርግሑ ኣሳእል፡ ሓንቲ ጓል ስጋዊ ርክብ እናፈጸመት ዘርኢ ስእሊ ተዘርጊሑ ይርከብ። ኣብ ትሕቲ እቲ ስእሊ ሓደ ወሃቢ ርእይቶ፡ “ናይዛ ጓል ቪድዮ ኸ ይህልወኩምዶ?” ኢሉ ይሓትት። ሸያጢ “ምሉእ ኣልበም ኣለኒ፡ 5 ፓውንድ ጥራይ’ዩ ዋጋኡ፡ ብናይ ውሽጢ መስመር ርኸበኒ” ኢሉ ይምልስ። ፓኪስታናዊት ዓይሻ [ኣብዚ ጽሑፍ ሽማ ዝተቐየረ] ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ያ ስእላ ኣብ ሬዲት ከምዝወጽአ ፈሊጣ። ስጋዊ ርክብ እናፈጸመት እንከላ፡ ዓርካ ዝነበረ ብዝተሓበአት ካሜራ ገይሩ ከምዝስኣላ’ያ ትጥርጥር። ብሰንኪ እዚ ኣብ ምሉእ ፓኪስታን ፎእ ተባሂላ። መንነታ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እናተጠቐሰ ብዙሕ ምፍርራሓት ወሪዱዋ። ካልእ መንነቱ ዘይትፈልጦ ሰብ’ውን “እዚ ቀቀሊሉ’ዩ ምሳይ ስጋዊ ርክብ እንተዘይፈጺምኪ ካልእ ቪድዮታት’ውን ኣለኒ ክዝርግሖ’ዩ” ኢልዋ። “ዋላ እምቢ እንተኢልኪ ናብቲ ዘለኸዮ መጺአ ክዕምጸኪ’የ”ብምባል ከፈራርሓ ጀሚሩ። ኣብ ፓኪስታን ጓል ኣንስትይቲ ሓዳር ቅድሚ ምግባራ ስጋዊ ርክብ ክትፍጽም ፈጺሙ’ዩ ዘይፍቀዳ። ዓይሻ ብድሕሪ እዚ ካብ ገዛ ፈጺማ ምውጻእ ገዲፋቶ፣ እቲ ዝወርዳ ዝነበረ ውርደት’ውን ክትጻወሮ ኣይከኣለትን። ብዘይካ ነብሳ ምጥፋእ ዝዀነ ካልእ ኣይተራእያን። ነፍሳ ከተጥፍእ ኣብ ዝፈተነትሉ ሰባት ኣድሒኖማ። ስድራቤታ ከቢድ ተነጽሎ ኣጋጢምዎም፡ ብሕበረተሰብ እቲ ከባቢ’ውን ተወጊዞም። ዓይሻ፡ “ስድራይ ኣብ ከቢድ ተነጽሎ ስለዘእተኸዎም ልዕሊ ዝዀነ ከቢድ ሕፍረትን ውርደትን ተሰሚዑኒ” ትብል። ዓይሻ፡ እቲ ቪድዮ ናብ መሸጣ ምስ ተዘርገሐ ንሬዲት ጠሪዓ ነይራ፡ እቲ ቪድዮ’ውን ክድምሰስ ክኢሉ። እንተዀነ ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ’ውን ተመሊሱ ብኻልእ ሸያጢ ንመሸጣ ቀሪቡ፣ ነቲ ዳግማይ ዝመጽአ ቪድዮ ንኽድምሰስ’ውን ተወሳኺ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ወሲዱ። እንተዀነ ናብ ካልእ ማሕበራዊ ሚድያ’ውን ተላቢዑ ስለዝነበረ ካብ ቍጽጽራ ወጻኢ ኰይኑ። እዚ ኣብ ሬዲት ዝግብር ዕዳጋ፡ ደቂ ኣንስትዮ ዕርቃነን ዘርኢ ኣሳእል ኣብ ዝተወሰኑ ጕጅለታት’ዩ ዝካየድ። እንተዀነ እቲ ዕዳጋ ኣዝዩ ዕሙር’ዩ። ሬዲት ኸአ ዝዀነ ጥርዓን ክቐርበሉ እንከሎ፡ ነቲ ስእሊ ቀልጢፉ ኣይኣልዮን’ዩ። ነዚ፡ ሸውዓተ ዕርቃነን እንከለዋ ዘርኢ ስእሊ ተሰሪቑ ኣብቲ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተለጠፈ ደቂ ኣንስትዮ መስኪረናኦ ኣለዋ። ሬዲት፡ ድኽመታት ከምዘለዎ ብምእማን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ 88 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ዕርቃነን እንከለዋ ዘርኢ ስእልታት ካብ ከብሕታቱ ከምዝደምሰሰ ገሊጹ። ደቂ ኣንስትዮ ዕርቃነን እንከለዋ ዘርኢ ስእልታት ብምሻጥ ካብ ዝመሓደሩ ሓደ ዚፓማድ ይበሃል። ኣብቲ ‘ፕሮፋይሉ’ ብዘይካ ስሙ፡ መንንቱ ይዅን ኣድራሻኡ ዝገልጽ ሓበሬታ የለን። እንተዀነ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ደቂ ኣንስትዮ ዕርቃነን እንከለዋ ዘርኢ ስእሊ ትገዝእ ብምምሳል ክትረኽቦ ክኢላ ኣላ። “ኣነ ደቂ ኣንስትዮ ንምጕዳእ ኢለ ኣይኰንኩን ዝገብሮ” ብምባል ጣዕሳኡ ብምግላጽ፡ ባዕሉ ዝሰንዖ ደቂ ኣንስትዮ ዕርቃነን እንከለዋ ዘርኢ ኣሳእል ደምሲስዎ። ሓቀኛ መንነቱ ከምቲ ኣብ ሬዲት ዘሎ ኣይነበረን፡ ብተግባሩ ብርቱዕ ጣዕሳ ከምዝተሰመዖ’ዩ ገሊጹ። እቶም ንኸምዚ ዓይነት ዘቃልዑ ማሕበራዊ ሚድያታት ሸለልትነቶም ክሳብ መዓስ’ዩ ዝብል ግን ሕጂ’ውን ኣዘራራቢ ጉዳይ እዩ ኰይኑ ዘሎ። ልክዕ ከም ዓይሻ፡ ብዓርካ ነበር ዕርቃና እንከላ ዘርኢ ስእሊ ኣብ ሬዲት ዝተዘርግሓ ጆርጅያ ዝተባህለት ጓለንስተይቲ ዘለዋ ርእይቶ “ኣነ ኣብ ልዕሊኡ ሕነ ክፈዲ ሃቐነ የብለይን፣ ንሱ ኣብ ካልእ ጓል ኣንስተይቲ ነዚ ኣጸያፊ ተግባሩ ከይደግሞ ጥራይ’የ ዝምሕጸኖ” ኢላ።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crg7y9gjm23o"} {"headline":"ንጽፈ-ጽግያት' እንታይ'ዩ? ምልክታቱኸ?","content":"ንጽፈ-ጻግነ [ምቍራጽ ጽግያት - menopause] ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዙሕ ኣቓልቦ ረኺቡ ኣሎ - ነፍሲ ወከፍ ጓል ኣንስተይቲ እትሓልፎ ዘላ ኵነታት ግንዛበ ንምዕባይ፡ ፍሉጣት ሰባት ብዛዕባ ተመኵሮታተን ብግልጺ ክዛረባ ጀሚረን። እቶም ምልክታት፡ ብንቡር ኣብ መፋርቕ 40ታት ይጅምሩ። ወርሓዊ ጽግያት ቅድሚ ምቍራጹ ግን እንታይ ከም ዘጋጥም ክንሕብረኩም። ምቍራጽ ጽግያት፡ ወርሓዊ ጽግያት ጓል ኣንስተይቲ ደው ክብል እንከሎ ማለት’ዩ። እዚ ኣብ ከባቢ 51 ዕድመ ዘጋጥም እዩ። እዚ ኸኣ፡ ዓመታት ጽግያት ወይ መፍረ ኣብቂዖም ሓድሽ ምዕራፍ ህይወት ይጅመር ምህላው የመልክት። ፔሪ-ሜኖፖዝ ተባሂሉ ዝፍለጥ ወርሓዊ ጽግያት ዘይስሩዕ ምዃን፡ መበገሲ ምኽንያት እዩ። እዚ ኸኣ፡ ብማእከላይ ገምጋም ካብ 46 ዓመት ይጅምር። ኣብዚ ግዜ፡ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ወርሓዊ ጽግያተን ዘይግመት ወይ ከቢድ ክኸውን ከምኡ’ውን ቅድሚ ሕጂ ኣጋጢሙወን ዘይፈልጥ ስምዒታት ወይ ኣካላዊ ጸገማት ክርኣየን ይጅምር። ን12 ኣዋርሕ ወርሓዊ ጽግያት እንተዘይመጺኡ፡ ንድሕሪት ተመሊስኪ (መወዳእታ ወርሓዊ ጽግያት ዝርኣኽሉ ግዜ ቈጺርኪ) ብምርኣይ ምቍራጽ ጽግያት ኣጋጢሙኒ ነይሩ ክትብሊ ትኽእሊ። ኣብ ገለ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብተፈጥሮ ይዅን ድሕሪ ካልኦት ሕክምናዊ ኵነታት ቀልጢፉ ክኽሰት ይኽእል እዩ። መጠን ሆርሞናት ይቀያየር’ዩ፤ ብፍላይ ዑደት ወርሓዊ ጽግያት ዝቈጻጸር ኢስትሮጅን። ጓል ኣንስተይቲ ዕድመኣ ክውስኽ እንከሎ፡ እቲ ማህደር እንቋቍሖ ሒደት እንቃቝሖ የፍሪ፤ መጠን ኢስትሮጅን ክብ ለጠቕ ይብል፤ ቀስ ብቐስ ክኣ ይንኪ። እዚ ናብ ምልክታት ምቍራጽ ጽግያት የምርሕ። እዚ ግን፡ ኣብ ሓደ ለይቲ ዝኽሰት ኣይኰነን። እዚ ኣገዳሲ ሆርሞን ናብ ዝተሓተ ደረጃ ንክወርድ ብዙሓት ዓመታት እዩ ዝወስዶ። ከምኡ ኢሉ ኸኣ ይጸንሕ - ኣብ ከይዲ ኣብ ሰብነትና ለውጢታት የስዕብ። ማህደር እንቃቝሖ ምፍራይ ደው ከብል እንከሎ፡ ጥንሲ ክፍጠር ኣይክእልን፤ ምቍራጽ ጽግያት ክኣ የጋጥም። ምቍራጽ ጽግያትን እቶም ናብኡ ዘምርሑ ዓመታትን ንደቂ ኣንስትዮ ብዝተፈላለየ መገዲታት’ዮም ዘጥቅዑወን። መጠን ኢስትሮጅን ክንኪ እንከሎ፡ ርእሲ፡ ወርሓዊ ጽግያት፡ ቈርበት፡ ጭዋዳታትን ስምዒታትን ኵሎም ይጥቅዑ። ብዙሓት ምክልታት ኣለው፤ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ክኣ ገሊኦም ወይ ኵሎም ወይ ድማ ዋላ ሓደ ክስምዑዋ ይኽእሉ። እቶም ኣዝዮም ዝተለመዱ ምልክታት፥ ካብኡ ሓሊፉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዕንብረ ሓንጎል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ድኹም ዝኽርን ምትኳርን እውን ብዙሕ ግዜ ይጥቀስ እዩ። ከምኡ’ውን ኣብ መላግቦታት ዝህሉ ቃንዛን ደረቕ ቆርበትን እውን ምልክታት ምቍራጽ ጽግያት ኰይኖም ይጥቀሱ። ኵለን ደቂ ኣንስትዮ ነዞም ምልክታት ግን ኣየርእያን- ኣስታት 75 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ግን ምልክታት ይርእያ። ርብዒ ካብተን ብምቍራጽ ጽግያት ዝሓልፋ ደቂ ኣንስትዮ፡ ከቢድ ምልክታት ይርእያ። እዚኦም፡ ብማእከላይ ክሳብ ሸውዓተ ዓመት ክጸንሑ ይኽእሉ፤ ካብ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ እታ ሓንቲ ክኣ ካብኡ ንላዕሊ ንነዊሕ እዋን ከጋጥማ ይኽእል። መከላኸሊ ጥንሲ ትወስዲ እንተሃሊኺ፡ እቶም መድሃኒታት ንወርሓዊ ጽግያት ብዝተፈላለየ መገዲታት ክጸልውዎ ስለ ዝኽእሉ፡ ጽግያትኪ መዓስ ከም ዘቋረጸ ንምፍላጥ ክትጽገሚ ትኽእሊ ኢኺ። ሕጽረት ኢስትሮጅን፤ እዚ ኣሰራርሓ ናይቲ ኣብ ሓንጐል ዝርከብ ተርሞስታት ኣካላትና ዘሳተፈ እዩ። ብንቡር፡ ሰብነትና ንለውጢ ሙቐት ብጽቡቕ ይጻወሮ እዩ። ኢስትሮጅን ምስ ዝሓጽር ግን እቲ ተርሞስታት ድኹም ይኸውን እሞ ሓንጐል ድማ ኣካላትና ከይውዓየ እንከሎ ልዕሊ ዓቐን ይውዒ ኣሎ ኢሉ ይሓስብ። ኢስትሮጅን ንመንፈስና እውን ክጸልዎ ይኽእል እዩ። እቲ ሆርሞን፡ ንስምዒታትና ዝቈጻጸሩ ኣብ ሓንጐል ዝርከቡ ከሚካላት ብምስሓብ፡ እዚ ኣብ ትሑት ደረጃ ክኸውን እንከሎ ጭንቀትን ትሑት ስሚዒትን ከስዕብ ይኽእል። እወ፤ ፕሮጀስትሮንን ቴስቶስትሮንን። ግን ክኣ፡ ብልክዕ ትሑት መጠን ኢስትሮጅን ዘለዎ ጽልዋ የብሎምን። ፕሮጀስትሮን፡ ወርሓዊ ሰብነትና ንጥንሲ ክዳሎ ዝሕግዝ ሆርሞን ኰይኑ፡ ምፍራይ እንቃቝሖን ወርሓዊ ጽግያትን ምስ ዝቋረጽ ይንኪ። ደቂ ኣንስትዮ ብዝለዓለ መጠን ዘፍርያኦ ቴስቶስትሮን ድማ፡ ምስ ድሌት ጾታዊ ርክብን ሓይልን ዝተኣሳሰር እዩ። እዚ፡ ካብ 20ታት ንደሓር እናነከየ ይኸይድ። መርመራ ክግበር ከም ዝኽእል ይንገር፤ ሰብ ሞያ ግን ድሕሪ 45 ዓመት ጠቓሚ ከም ዘይኰነ ይሰማምዑ። እቲ ዝሓሸ መገዲ፡ ብዛዕባ ዑደት ወርሓዊ ጽግያትኪ ከምኡ’ውን ዝርኣዩኺ ምልክታት ንሓኪም ወይ ነርስ ምዝራብ እዩ። እቶም መርመራታት፡ ኤፍኤስኤች [follicle-stimulating hormones] ዝተባህለ መርመራ መጠን ሆርሞን እዮም። ይዅን’ምበር፡ ኣብ ዝዀነ መዓልቲ መጠን ሆርሞን ወትሩ ይውስኽን ይትሕትን እዩ። ስለዚ፡ እዚ መርመራ እንታይ’ዩ ዝፍጠር ዘሎ ዝብል ነገር ብርግጽ ዘመላኽት ዘይክኸውን ይኽእል። ወርሓዊ ጽግያት ዘይስሩዕ እንተዀነ’ውን፡ ደቂ ኣንስትዮ ክጠንሳ ይኽእላ እየን፤ መከላኸሊ ጥንሲ ድማ ክሳብ 55 ዓመት ክጥቀማ ከም ዘለወን ሰብ ሞያ ይምዕዱ። ፍወሳ ምትካእ ሆርሞን (HRT)፡ ኣብ እዋን ምቍራጽ ጽግያት ክንክዩ ዝጅምሩ ከም ኢስትሮጅን ዝኣመሰሉ ሆርሞናት ክውስኹ ይገብር። ብተወሳኺ፡ እቶም ኣብቲ ግዜ ዝርኣዩ ምልክታት ንምዕጋስ’ውን ይሕግዝ። እንተዀነ፡ መንሽሮ፡ ምርጋእ ደምን ልዑል ጸቕጢ ደምን ንዘለወን ሰባት ዘይምቹእ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ደቂ ኣንስትዮ፡ እዞም ዝስዕቡ ነገራት ብምግባር ስምዒተን ከመሓይሻ ይኽእላ፥ ድሕሪ ሓደ ዓመት እቲ ናይ መወዳእታ ጽግያትኪ፡ ናብ ደረጃ ድሕረ-ጽግያት ኢኺ ትኣትዊ። ምፍራይ ኢስትሮጅን ጠቕሊሉ ምስ ተቛረጸ፡ ኣብ ኣዕጽምትን ልብን ናይ ነዊሕ ግዜ ጽልዋ ኣለዎ። መብዛሕትኡ ናይዚ፡ እርጋን እዩ። ሰባት ብህይወት ናይ ምጽናሕ ዕድመኦም እናወሰኸ ብምምጽኡ፡ ሕጂ ደቂ ኣንስትዮ ድሕሪ ጽግያተን ልዕሊ ሲሶ ህይወተን ይነብራ ኣለዋ።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c51gkpp0r10o"} {"headline":"ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ ቀልጢፍካ ምጥናስ ሓደጋ ኣለዎዶ?","content":"ከምቲ ኣብዚ እዋን ዝወሃብ ዘሎ ምኽሪ ዘይኮነስ፡ ድሕሪ ምንጻል ወይ ምስዳድ ጥንሲ፡ ኣብ ውሑድ ኣዋርሕ ምጥናስ ኣብ ኣደ ይዅን ዕሸል ሓደጋ ከምዘይብሉ፡ ኣብ ሓቀኛ መረዳእታ ምርኩስ ብምግባር መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ ገሊጾም። ውድብ ጥዕና ዓለም ግን ብውሑድ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ዕረፍቲ ክህሉ እዩ ዝመክር። ዕላማ እቲ ዕረፍቲ ነታ ኣደ ናብ ንቡር ጥዕናዊ ቁመናኣ ክትምለስ ንምሕጋዝ እዩ። ፕሎስ መዲስን፡ ኣብ 72 ሽሕ ጥንሲታት ዘካየዶ መጽናዕቲ ስዒቡ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ርኽበት ግን፡ ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ መጻምዲ ቀልጢፎም ንምውላድ ክፍትኑ ከምዝኽእሉ የረድእ። ጥንሲ ንዝኸዶም መጻምዲ ዝሕግዝ ቶሚስ ዝተባህለ ገባሪ ሰናይ፡ ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ ቀልጢፈን ክጠንሳ ድሌት ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ፡ ከይጠንሳ ዝኽልክል ጥዕናዊ ጸገም እንድሕር ዘይሃልዩወን፡ ክጠንሳ ከምዘለወን ይመክር። ውድብ ጥዕና ዓለም ብወገኑ፡ ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ዕረፍቲ የድሊ፡ ኣብ ዝብል መጽናዕቲ የካይድ ከምዘሎን፡ ሓድሽ ርኽበት እንተሃልዩ ዕላዊ ከምዝገብርን ኣፍሊጡ። እቲ ካብ 2008 ክሳብ 2016 ንሸሞንተ ዓመታት ኣብ ኖርወይ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ ቀልጢፈን ኣብ ዝጠነሳን ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ዝጠነሳን፡ ኣብ ውጽኢት ዝረኸቦ ፍልልይ የለን። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ላቲን ኣሜሪካ ተኻይዱ ንውሳነ ውደብ ጥዕና ዓለም ምኽንያት ዝዀነ ውጽኢት ዝተፈለየ እዩ፡፡ ነቲ ናይ ኖርወይ መጽናዕቲ ዘካየዱ ሰባት፡ መጻምዲ ቈልዓ ንምውላድ መዓስ ክፍትኑ ከምዘለዎም ንጹር ውሳነ ንኽወስዱ እቲ ምኽሪ ክግምገም ከምዘለዎ ይገልጹ። ድሕሪ ምኻድ ወይ ምንጻል ጥንሲ፡ ስድራቤታት ደጊሞም ንምጥናስ ሽዱሽተ ወርሒ ክጽበዩ ምሕታት፡ ብፍላይ ዝዀነ ጥዕናዊ ምኽንያት ኣብ ዘይብሉ፡ ንገለ ስድራቤታት ኣዝዩ ነዊሕ ክኸውን ይኽእል እዩ ይብሉ፡፡ ተወሳኺ መጽናዕቲታ ክግበር ከምዘለዎ እውን ይምዕዱ፡፡ ጽቡቕ ኵነታት ጥዕና፡ ናይ ምጥናስ ተኽእሎ ከምዘዕቢ ሰብ ሞያ ይሰማምዑ። ደቂ ኣንስትዮ ንምጥናስ ኣብ ዝፍትናሉን፡ ኣብ እዋን ጥንሲ ድማ ክሳብ 12 ሰሙናት ከኒና ፎሊክ ኣሲድ ክወስዳ ይምከር፡፡ እቲ ከኒና ጸገም ኣእምሮ፡ ዓንዲ ሕቘን ዕትብቲ ዓንዲ ሕቘን ዘለዎም ህጻናት ናይ ምውላድ ኣጋጣሚ ዝቕንስ እዩ፡፡ ድሕሪ ጥንሲ ቀልጢፉ ዝፍጠር ምንጻል፡ ኣብ ዕድመ ምሉእ፡ ካብ ሓሙሽተ ኣብ ሓንቲ ዘጋጥም ኰይኑ፡ ምኽንያቱ ግን ክሳብ ሕጂ ፍሉጥ ኣይኰነን። ምንጻል ጥንሲ ዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ፡ መብዛሕትኡ እዋን፡ ቀጻሊ ጥንሰን ዕዉት ናይ ምዃን ዕድል ኣለዎ። ካልኣይ ምንጻል ሓሊፉ እዩ ዘጋጥም። ምንጻል ጥንሲ ዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ፡ ቀልጢፈን ከይጠንሳ ዝገብር ጥዕናዊ ጸገም ዘለወን ምዃኑ ንምፍላጥ ምስ ሓኪመን ክማኸራ ከምዘለወን ትካል ገባሪ ሰናይ ቶሚስ ይምዕድ። እንተዀነ ስምዒታዊ ጥዕና እውን ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ እዩ። ገለ መጻምዲ ደጊሞም ንምጥናስ ስምዒታውን ኣካላውን ምድላው ከድልዮም ይኽእል እዩ። ብፍላይ ሓዘን ንዝተሰመዖም ሰባት መጸናንዒ ግዜ ከድልዮም ይኽእል ይብል እቲ ትካል።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crg2x0ejd3do"} {"headline":"ብሰንኪ ወርሓዊ ጽግያት ካብ ትምህርቲ ንዘብኩራ ደቂኣንስትዮ መናፅሂ እትህብ ኢትዮጵያዊት","content":"ዶክተር ደራርቱ ነጋሽ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ሕክምና ዩኒቨርሲቲ ሰላሌ መምህር ኮይና ኣብ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ሰላሌ ድማ ሓፈሻዊ ሓኪም እያ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ እትሰርሓሉን እትምህረሉን ከባቢ ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ዝገበረቶ ምብፃሕ፡ ናብቲ ሎሚ ትሰርሖ ዘላ ሰናይ ተግባር ንኽትኣቱ ምኽንያት ኮይኑ’ሎ። “ዓሚ ናብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ትምህርቲ ክበጽሕ ክኢለ እየ። ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ካብ ትምህርተን ከምዝተርፋ ሪኤ\" ትብል ዶክተር ደራርቱ። ብፍላይ ኣብ ገጠራት፡ ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ትምህርቲ ዘቋርፃሎም ምኽንያታት ብዙሓት እዮም። ዶክተር ደራርቱ ቅድሚ ናብተን ኣብያተ ትምህርቲ ምብጽሓ፡ ደቂ ኣንስትዮ ተማሃሮ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት መናፅሂ ስለዘይረኽባ ካብ ትምህርቲ ክቦኽራ እየን ኢላ ሓሲባ ኣይትፈልጥን። “ኣብተን ዝበጻሕክወን ኣብያተ ትምህርቲ ንደቂ ኣንስትዮ ተመሃሮ ኣዘራሪበ እየ። ብዛዕባ ወርሓዊ ጽግያት ብግቡእ ከም ዘይመሃራ ነጊረናኒ። መምህራን ነቲ ዛዕባ ሽፍንፍን ኣቢሎም ምሕላፍ እምበር ጽቡቕ ጌሮም ከም ዘይገልጹለን ተገንዚበ\" ትብል። ኣብ ገጠራት፡ ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ወርሓዊ ጽግያት ክርእያ ከለዋ ንስድራቤተን ብግልጺ ብምዝራብ መናፅሂ ክግዝኣለን ልሙድ ኣይኮነን። ሓደ ካብቶም ምኽንያታት ድማ እቶም ሓረስቶት ኣብ ፅጉም ኩነታት ናብራ ስለዝነብሩ ነቲ መናፅሂ ወርሓዊ ክዕድጉ ከምዝፅገሙ ተገንዚባ። \"ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ወርሓዊ ጽግያት ምስ ኣጋጠመን እንታይ ከም ዝጥቀማ ምስ ሓተትክወን፡ ገሊኤን ጨርቂ፤ ገሊኤን ድማ ዒባ፡ ካልኦተን ድማ ደም ወርሓዊ ጽግያት ንኸይረኣይ ብዝብል ሓመድ ከም ዝጥቀማ ሓቢረናኒ። \"ምታንቲ’ኳ ዘይብለን ከምዘለዋ ዝሓበራኒ ነይረን። እዚ ምስ ሰማዕኩ እየ እንታይ ክገብር ከም ዘለኒ ክሓስብ ዝጀመርኩ\" ትብል እታ ዶክተር። ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ወርሓዊ ጽግያት ኣብ ዝርእያሉ እዋን መናፅሂ ስለዘይብለን ጥራይ እንተወሓደ ካብ 4 ክሳብ 10 መዓልታት ካብ ትምህርቲ ከም ዘብኩራ ካብ መምህራን ሓበሬታ ምርካባ ትዛረብ። ነዚ ኣብ ትምህርታዊ ተሳትፎን ውፅኢትን ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ፅልዋ ዝፈጥር ዘሎ ጉዳይ ንምፍታሕ፡ ኣብቲ እትምህረሉ ዩኒቨርሲቲ ሰላሌ ምስ ዝርከቡ ኣዕሩኽታን መሳርሕታን ኮይና ክትሰርሕ ጀመረት። \"ምስ ዩኒቨርስቲናን ካልኦት ዘይመንግስታዊ ትካላትናን ብምትሕብባር ንደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ መናፅሂ ናይ ምቕራብ ስራሕ ጀሚርና። በዚ ድማ ኣብ ሰሜን ሽዋ ንዝርከባ 18 ኣብያተ ትምህርቲ ንኽልተ ዓመት ዝኸውን መናፅሂ ኣቕሪብና\" ትብል ዶክተር ደራርቱ። ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ድማ ሰባት ኣብ ዕለተ ልደቶም፡ ንደቂ ኣንስትዮ ተማሃሮ መናፅሂ መዕደጊ ዝኸውን ገንዘብ ከወፍዩ እናገበረት ኣብ ሓሙሽተ ኣብያተ ትምህርቲ ንዝርከባ ተምሃሮ ዝውዕል ሓገዝ ኣተኣኻኺባ። “እቶም ብምኽንያት ዕለተ ልደተይ ህያብ ክህቡኒ ዝደልዩ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ መናፅሂ ገዚኦም ክህቡኒ ሓቲተ። ብመሰረት እዚ ካብ ውሽጥን ወፃእን ብዙሓት ሰባት ሓጊዞምኒ እዮም\" ትብል። በዚ ኣቢላ ድማ ን467 ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ንኽልተ ዓመት ዘገልግል ሙታንታን መናፅሂ ፅግያትን  ክትህብ ክኢላ። ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ወርሓዊ ጽግያት ምስ ጀመረን ዘጋጥመን ናይ ኣተሓሳስባ ጸገም ንምብዳህን ወርሓዊ ጽግያት ባህርያዊ ህያብ እምበር ዘሕፍር ነገር ከምዘይኮነ ንምምሃርን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ትምህርቲ ብምኻድ ናይ ምንቃሕ ስራሕ ኣብ ምክያድ ትርከብ። ብተወሳኺ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ትምህርቲ ናይ ደቂኣንስትዮ ጉጅለታት ክጣየሳ ትገብር ከምዘላ ትዛረብ። ንደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ እውን መናፅሂ ወርሓዊ ፅግያት ኣብ ዝውድኣሉ እዋን ብዘይ ዝኾነ ሕፍረት ንስድራቤተን ንምሕታት ትብዓት ክረኽባ ትምህር ኣላ። ኣብ ሰሜን ሽዋ ኣብ ዝርከባ 18 ኣብያተ ትምህርቲ ንደቂ ኣንስትዮ ተማሃሮ መናፅሂ ክትህብ ምኽኣላ ጽቡቕ ውጽኢት ዝረኣየትሉ ብምዃኑ፡ ነዚ ወፍሪ ክትቅጽሎ ሕጂ’ውን ተገዳስነት ኣለዋ። “ኣብዚ እዋን ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ብዝሰፍሐ ይሰርሕ ኣለኹ፤ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ’ውን ጎስጓስ ነካይድ ኣለና። ጽቡቕ ሓገዝ ብምትእኽኻብ ጸገም ደቂ ኣንስትዮ ተማሃሮ ብግቡእ ክሳብ ዝፍታሕ፡ ንኹለን እኳ እንተዘይከኣልና ግን ድማ ናብ ብዙሓት ንምብጻሕ ንሰርሕ ኣለና\" ብምባል ንፃዕርታት ትገልፅ። ዶክተር ደራርቱ ነዚ ናይ መናፅሂ ቀረብ ንምምላእ ብቐጻሊ ካብ ሰባት ደገፍ ምሕታት ኣጸጋሚ ምዃኑ ትግንዘብ’ያ ዘላቒ ፍታሕ ንምርካብ ብዝብል ድማ፡ ተሓፂቡ ዳግማይ ኣብ ረብሓ ዝውዕል ዓይነታት መናፅሂ ወርሓዊ ጽግያት ተበጻሒ ኣብ ምግባር ትሰርሕ ኣላ።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3g47x7848go"} {"headline":"ኣብ ሓድሽ ዓመት ንመንእሰያታ ኮንዶም ብናጻ ክትህብ ዝወሰነት ሃገር","content":"መንእሰያት ፈረንሳ ብጾታዊ ርክብ ንዝመሓላለፉ ሕማማት ንምክልኻል ካብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጥሪ ጀሚሮም ኮንዶም ብናጻ ክረኽቡ መንግስቲ እታ ሃገር ወሲኑ'ሎ። ፕረዚደንት ፈረንሳ፡ ብሓሙስ ንጥዕና መንእሰያት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ'ዩ ነቲ ውሳነ ኣፍሊጡ። ኢማኑዌል ማክሮን ከምዝበሎ፡ ካብ 18 ክሳብ 25 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ናብ ፋርማሲታት ብምኻድ ኮንዶማት ብናጻ ክወስዱ ክኽእሉ'ዮም። እቲ ስጉምቲ \"ንእሽቶ ሰውራ ኣብ ምክልኻል ጥንሲ'ዩ\" ክብል ገሊጽዎ። ፈረንሳ፡ ኣብ 2020 ከምኡ'ውን ኣብ 2021 ዝተራእየ ብጾታዊ ርክባት ዝመሓላለፍ ሕማማት ብ30 ሚእታዊት ወሲኹ ነይሩ። እዚ ሓድሽ ስጉምቲ፡ ኣካል ናይቲ ነቲ ጸገም ንምቁጽጻር ዝውሰድ ዘሎ ዝተፈላለየ ተበግሶታት ኮይኑ፡ መከላኸሊ ጥንሲ ብቐሊሉ ንምርካብ ዝዓለመ'ዩ። ኣብ 2018 መንግስቲ ፈረንሳ፡ ነቶም ብትእዛዝ ሓካይም ወይ መሕረስቲ ኮንዶም ዝዓደጉ ሰባት ዋጋ ናይቲ ዝገዝእዎ ኮንዶም ክኸፍል ወሲኑ ነይሩ። ኣብ ፈለማ ናይዚ ዝውዳእ ዘሎ ዓመት ድማ፡ መከላኸሊ ጥንሲ ክሳብ 26 ዓመት ዝዕድሚአን ኩለን ደቂኣንስትዮ ብናጻ ክወሃብ ተወሲኑ። እቲ ስጉምቲ ንኣስታት ሰለስተ ሚልዮን ደቂኣንስትዮ ዕድል ዝፈጠረ'ዩ። ኣቐዲሙ ካብ 18 ዓመት ንታሕቲ ንዝኾና ደቂ ኣንስትዩ እቲ ዕድል ተዋሂቡ ነይሩ'ዩ። ፕረዚደንት ማክሮን ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ተወሳኺ መብርሂ፡ እቲ ስጉምቲ ንበይኑ ዘይኮነ ኣካል ናይቲ ዝውሰድ ዘሎ ካልእ ናይ ጥዕና ተበግሶታት ምዃኑ ጠቒሱ። ገለ ካብቲ ካልእ ተበግሶታት፡ ኩለን ደቂኣንሰትዮ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ብናጻ ካብ ፋርማሲታት ክወስዳ፡ ከምኡ'ውን ነተን ካብ 26 ዓመት ንታሕቲ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ብዘይ ትእዛዝ ሓኪም ብናጻ መርመራ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማት (ብዘይካ ኤች-ኣይ-ቪ) ክግበረለን ዝብሉ ይርከብዎም።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cxxj6g1xr1jo"} {"headline":"ስኮትላንድ ደቂኣንስትዮ መናፅሂ ወርሓዊ ፅግያት ብነፃ ክቐርበለን ወሲና","content":"ስኮትላንድ ደቂኣንስትዮ ፍርያት መናፅሂ ወርሓዊ ፅግያት ብነፃ ክቐርበለን ዝድንግግ ሕጊ ኣፅዲቓ። ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ሓድሽ ሕጊ ብምውፃእ፡ መሰል ነፃ ፍርያት መናፅሂ ወርሓዊ ፅግያት ክኽበር ዝገበረት ፈላመይቲ ሃገር ኮይና'ላ። ብመሰረት እቲ ሕጊ ድማ ኣብያተ ምኽርን ትካላት ትምህርትን እቲ ፍርያት ንዘድልየን ደቂኣንስትዮ ብነፃ ከቕርባ ክግደዳ እየን። ካብ 2017 ጀሚሩ፡ ነቲ ፍርያት ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ንምቕራብ ኣስታት 27 ሚልዮን ፓውንድ ወጻኢ ኮይኑ ኣሎ። ኣባል ሰልፊ ኤምኤስፒ ሞኒካ ሌኖን እቲ ብ2020 ኣብ ባይቶ ስኮትላንድ ብሙሉእ ድምጺ ዝተደገፈ ሕጊ ንኽወጽእ ጎስጓስ ኣካይዳ እያ። ሌኖን፡ \"ከባብያዊ ሹመኛታትን መሻርኽቲ ትካላትን እቲ ሕጋዊ መሰል ነጻ ፍርያት መናፅሂ ወርሓዊ ፅግያት ክውን ንምግባር ኣበርቲዖም ሰሪሖም\" ትብል። እዚ ውሳነ ድማ ንጎስጎስቲ ክብሪ ወርሓዊ ፅግያት ዓቢ ምዕራፍ ከምዝኾነ ተዛሪባ። \"ቅልውላው ዋጋ መነባብሮ ኣብ ዝውስኸሉ ዘሎ እዋን፡ ሕጊ ነፃ ፍርያት መናፅሂ ወርሓዊ ፅግያት ምፅዳቕ ማለት፡ ፖለቲከኛታት ነቲ ዘገልግልዎ ህዝቢ ጽቡቕ ንምግባር ምስዝክእከቡ እንታይ ውጽኢት ክርከብ ከም ዝኽእል ዘርኢ ናይ ተስፋ መብራህቲ'ዩ\" ክትብል'ውን ወሲኻ ገሊፃ። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንዘጋጥም ድኽነት መናፅሂ ወርሓዊ ፅግያት ንምምካት ዝሰርሕ 'ሄይ ገርልስ' ዝተብሃለ ማሕበራዊ ትካል፡ ልክዕ ከምቲ ሶፍት ኣብ ህዝባዊ ሽቓቕ ዝቕመጥ እቲ ፍርያት እውን ብኸምኡ መልክዑ ተበጻሒ ክኸውን ከምዘለዎ ይሕብር። ጆርጂ ኒኮልሰን ካብ ሄይ ገርልስ፡ ንሬድዮ ቢቢሲ ጉድ ሞርኒንግ ስኮትላንድ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቲ ትካል ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ መጽናዕቲ ከምዘካየደ ብምዝኽኻር ኣብ ስኮትላንድ ካብ ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ እታ ሓንቲ ኣብ ገለ እዋን ድኽነት ፍርያት መናፅሂ ከምዘጋጠማ ከምዝተገንዘቡ ተዛሪባ። \"ብዙሓት ኣዴታት ንደቀን ንምምጋብ ክብላ ብዘይ መናፅሒ ወርሓዊ ጽግያት ዝኸዳ ኮይነን ከም ኣብ ካልሲ ዝተመልአ ጋዜጣ ወይ ካልእ ነገራት ክጥቀማ ንሰምዕ ኢና\" ትብል ነቲ ዘሎ ፀገም ክተረድእ። ኒኮልሰን ወሲኻ፡ ስኮትላንድ ነጻ ናይ እዋን ወርሓዊ ፅግያት መናፅሂ ፍርያት ንምቕራብ ዝወሰነት ኣብ ዓለም ናይ መጀመርታ ሃገር ምዃና \"ናይ ብሓቂ ዓቢ ምዕራፍ\" ክትብል ገሊጻቶ። ጸሓፊት ማሕበራዊ ፍትሒ ስኮትላንድ ሾና ሮቢሰን ብወገና፡ እቲ ፍርያት ብናጻ ተበጻሒ ምግባር \"ንማዕርነትን ክብርን መሰረታዊ እዩ\" ኢላ። ንሳ ወሲኻ፡ \"ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ብምውሳድ ኣብ ዓለም ፈላሞት ብምዃንና ሕቡናት ኢና\" ክትብል ተዛሪባ። ዝኾነት ትኹን ጓልኣንስተይቲ ፍርያት መናፅሂ ወርሓዊ ፅግያት ክትረክብ ኣብ ዘይትክእለሉ ኩነታት ክትህልው ድልየት ከምዘይብሎም እውን ወሲኻ ሓቢራ። ሻውና ጋንትለት ፈለማይ ወዳ ድሕሪ ምውላዳ ብስእነት መናፅሒ ወርሓዊ ፅግያት ትጸገም ከምዝነበረት ትገልፅ። ንሳ ንቢቢሲ ስኮትላንድ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ብፍላይ ድሕሪ ምውላዳ ናይ ጥዕና ጸገም ምስ ኣጋጠማ፡ ነቲ ፍርያት መናፅሂ ንምዕዳግ ፋይናንሳዊ ፀገማት የጋጥማ ምንባሩ ተዘሪባ። \"ክትወልዲ ከለኺ እንታይ ከም ዘጋጥም፤ ኣየናይ ነገር እዩ ንቡር፤ እንታይ ክትጽበ ከም ዘለካ ምሉእ ብምሉእ ዝነግረካ ሰብ የለን\" ትብል። \"እቶም ፍርያት ንምርካብ ኣብ ኣዕሩኽተይን ቤተሰብን ክምርኮስ ነይሩኒ\"","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cn03ppw0723o"} {"headline":"ደቀ'ንስትዮ ስለምንታይ ካብ ተባዕትዮ ንላዕሊ ይቑጥዓ?","content":"ሓደ ኣብ ጉዳይ ቍጥዐ ኣድሂቡ ዝተኻየደ ዓለምለኻዊ መጽናዕቲ፡ ስለምንታይ እየን ደቀ'ንስትዮ ልዕሊ ደቂተባዕትዮ ቍጥዕ ቍጥዕ ከምዝብላ ኣመልኪቱ'ሎ።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv27512pgeqo"} {"headline":"ኣውሮጳውያን ደቂ ተባዕትዮ ዘይክንሸብሉን ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሰፊሕ ዝዝውተረሉን ምኽንያት እንታይ'ዩ?","content":"ምኽንሻብ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ኤውሮጳ ልሙድ ኣይኰነን። ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኣመሪካን ሃይማኖት እስልምና ኣብ ዝኽተላ ሃገራትን ድማ፡ ምኽንሻብ ደቂ ተባዕትዮ ምስ ባህልን እምነትን ዝተትሓሓዘ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ጋዛ ዘለው 99.9 ሚኢታዊት ደቂ ተባዕትዮ ተኸንሺቦም’ዮም። ኣብ ሞሮኮን ኣፍጋኒስታንን ድማ ልዕሊ 99 ሚኢታዊት ደቂ ተባዕትዮ ዝተኸንሸቡ’ዮም። 'ወርልድ ፖፒዩሌሽን ረቪው' ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 92 ሚኢታዊት ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣብ ኤርትራ ድማ ልዕሊ 97 ሚኢታዊት ደቂ ተባዕትዮ ከም ዝኽንሸቡ ይሕብር። ብኣንጻሩ ኣብ ኣውሮጳን ደቡብ ኣመሪካን፡ ቑጽሪ ዝኽንሸቡ ደቂ ተባዕትዮ ብሚኢታዊት ክርአ እንከሎ ትሕቲ ባዶ'ዩ። ስለ ምንታይ? ጥቕሚ ምኽንሻብ እንታይ እዩ? ጐናዊ ሳዕቤንከ ይህልዎ'ዶ? ንዝብሉ ሕቶታት ዝወሃብ ምላሽ ክትፈልጡ ትደልዩ ትዀኑ ኢኹም። ዶክተር ባእደ ለማ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኣዳማ ክኢላ ሻንብቆታት ሽንትን ናይ ምርባሕ ኣካላት ደቂ ተባዕትዮን [ዩሮሎጂስት] እዩ። ንሱ፡ ቅድሚ ረብሓን ሳዕቤንን ምኽንሻብ ምርኣይና ከመይ ተጀሚሩ ዝብል ምፍላጥ ኣገዳሲ'ዩ ይብል። ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዘሎ ኣጀማምራ ምኽንሻብ ምስ ሃይማኖትን ባህልን ዝተኣሳሰር እዩ። ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየዱ መጽናዕታት ድማ፡ ምኽንሻብ ምስ ዝርግሐ ቫይረስ ኤችኣይቪ ዘለዎ ምትእስሳር ዘርእዩ ምዃኖም እቲ በዓል ሞያ ይገልጽ። ምስ ዘይተኸንሸቡ ክነጻጸር ከሎ፡ ዝተኸንሸቡ ደቂ ተባዕትዮ ንሕማም ኤችኣይቪ ናይ ምቅላዕ ዕድሎም ካብ 50 ክሳብ 60 ሚኢታዊት ዝጎደለ እዩ። ነዚ መጽናዕቲ መሰረት ብምግባር ክኣ፡ ደቂ ተባዕትዮ ክኽንሸቡ ምኽሪ ክወሃብ ከም ዝተጀመረ ዶክተር ባእደ ይዛረብ። “[ምኽንሻብ] ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ውልቃዊ ጽርየቱ ክሕሉ ኣብ ዘይኽእል ሕብረተሰብ ዝኽንሸቡ ደቂ ተባዕትዮ ክሳብ መንሽሮ ዝበጽሕ ረኽሲ [ኢንፌክሽን] ንምክልኻል ክጠቕሞም ይኽእል’ዩ” ይብል። ምኽንሻብ፡ ብፍላይ ምስ ዕልቦ [Foreskin] ብዝተሓሓዝ ዝመጽኡ ሕማማት ከም ዝከላኸል የረድእ። እዚ፡ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ካብ ጽልዋ ሃይማኖትን ባህልን ውጽእ ዝበለ ስለ ዝዀነ፡ ብዙሕ ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ዶክተር ባእደ ተዛሪቡ። ቫቲካን፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝተሓተ ቑጽሪ ዝተኸንሸቡ ደቂ ተባዕትዮ ዘለዋ ሃገር ከም ዝዀነት መረዳእታታት የመልክቱ። ኣብ ሕክምና ከም ኣብነት ኣብ እትለዓል ደቡብ ኣመሪካዊት ሃገር ኲባ ዘሎ ዝርግሐ ምኽንሻብ ደቂ ተባዕትዮ ክርኣይ እንከሎ፡ 0.10 ሚኢታዊት ጥራይ እዩ። ኣብ ፖርቹጋል 0.6%፣ ጃፓን 9%፣ ፈረንሳ 14%፣ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ድማ 20 ሚኢታዊት እዩ። በዚ መሰረት፡ ዝልዓለ ቑጽሪ ዝተኸንሸቡ ደቂ ተባዕትዮ ዘለወን ሃገራት ብብዝሒ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ዘለወን እየን። ካብኡ ሓሊፉ፡ ኣብ ከም ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ'ውን ናይጀሪያ ዝኣመሰላ ሃገራት ኣፍሪቃ ልዕሊ 90 ሚኢታዊት ደቂ ተባዕትዮ ዝተኸንሸቡ እዮም። ሃገራት ኣውሮጳ፡ ዋላ'ውን እምነት ክርስትና ዝኽተላ እንተዀና፡ ምኽንሻብ ሃይማኖታዊ ግቡእ ገይረን ከም ዘይወስድኦ ዶክተር ባእደ ገሊጹ። ስለዚ ምኽንሻብ፡ \"ሃይማኖታውን ስነፍልጠታውን ድጋፍ ስለ ዘይብሉ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ኣይኽንሸቡን። ካብዚ ብዝብገስ ኣብ ገለ ቦታታት ዝተኸልከለ'ዩ\" ይብል። መብዛሕትኦም ሃይማኖት ክርስትና ኣብ ዝኽተላ ሃገራት ዝውለዱ ደቂ ተባዕትዮ፡ ምስ ተወለዱ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት እዮም ዝኽንሸቡ። እዚ፡ ሕብረተሰብ ካብ ውሉድ ወለዶ ሒዙዎ ዝመጽአ ባህላዊ ስርዓት፡ ብልምዲ ወይ ናይ ባህሊ ሓኪም ብዝብሃሉ ውልቀሰባት እዩ ዝፍጸም። ባህላዊ ክሽቦ ደቂ ተባዕትዮ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሃይማኖታዊ ድሕረ ባይታ ዘለዎ ኰይኑ ኣብዚ ዘመን መብዛሕትኦም ተኸተልቲ እምነት እስልምናን ኣይሁድን ደቂ ተባዕትዮ ደቈም የኸንሽቡ። ሓበሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ዓለም 30 ሚኢታዊት ደቂ ተባዕትዮ ይኽንሸቡ፤ ካብዚኦም እቶም ክልተ መሰለስ ተኸተልቲ እምነት እስልምና እዮም። ኣብ ሃይማኖት እስልምና፡ ስነ ስርዓት ምኽንሻብ ደቂ ተባዕትዮ፡ 'ታሄራ' ተባሂሉ ይጽዋዕ፤ ምንጻህ ማለት እዩ። ኣብ ውሽጢ እምነት ኣይሁድ ድማ፡ ደቂ ተባዕትዮ ምስ ተወለዱ ኣብ ሻምናይ መዓልቶም ይኽንሸቡ። ተኸተልቲ እምነት ሂንዱን ቡድሃን’ውን ይኽንሸቡ’ዮም። ኣብ ግብጺ ምእመናን ቤተ ክርስቲያን ኮፕቲክ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርትራን ድማ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ተዋህዶ ነዚ ጥንታዊ ስርዓት ኣይሁዳውያን ይኽተሉ። ኣብ ኬንያ ናይሮቢ፡ ጸሓፊ ቤተ ክርስቲያን መድሃኒኣለም ሊቀ ስዩማን ቀሺ ኣክሊሉ ገብረስላሰ፡ ኣብ ውሽጢ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ክሽቦ ደቂ ተባዕትዮ ኣስገዳድ ዝነበረሉ እዋን ነይሩ'ዩ ይብሉ። እዚ ብፍላይ ኣብ ብሉይ ኪዳን \"ዘይተኸንሸበ ኣይድሕንን፤ ናይ እግዚኣብሄር ህዝቢ ዘይኰነ ኣህዛብ'ዩ\" ብምባል ምልክት ተገይሩ ይወሰድ ከም ዝነበረ ይጠቅሱ። እስራኤላውያን፡ ዘይተኸንሸበ ወዲ ኣብርሃም ስለ ዘይብሃልን ስለ ዘይድሕንን፡ ክኽንሸቡ ግድን ስለ ዝነበረ ሕጂ'ውን ነቲ ስርዓት ከም ዝትግብሩዎ ቀሺ ኣክሊሉ የረድኡ። ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ግን፡ እዚ ኣብ ብሉይ ኪዳን ካብ ዝተረፉ ስርዓታት ሓደ ስለ ዝዀነ፡ ብሃይማኖታዊ ስርዓት ምኽንሻብ ወዲ ተባዕታይ ግዴታ ከም ዘይኰነ ኣብሪሆም። ኣብቲ ግዜ፡ ካብ ግሪኽን ማእከላይ ምብራቕን ክርስትና ተቐቢሎም ናብ እስራኤል ዝኸዱ ዝነበሩ ሰባት ዘይተኸንሸቡ ስለ ዝነበሩ፡ ንስኻትኩም ኣይተኸንሸብኩምን፣ ኣይትድሕኑን ኢሎም ኣይሁዳውያን ይነቕፉዎም ነይሮም። ሽዑ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ክርስትና ኣብ ዘስፋሕፍሐሉ እዋን “ምኽንሻብን ዘይምኽንሻብን ኣይጠቅምን፤ ብክርስቶስ ዝኣመነ ይድሕን” ኢሉ ከም ዘምሃሮም እታ ቤተ ክርስቲያን ትጠቅስ። “ሕጂ፡ ብክርስቶስ ምእማንን ምጥማቕን እዩ ምልክት ድሕነት። ስለዚ ወዲ ተባዕታይ ዋላ እንተዘይተኸንሸበ ኣብ እምነቱ ዝፈጥሮ ጸገም የለን። ኣብ ሃገርና ግን ዘይምኽንሻብ ከም ነውሪ’ዩ ዝቑጽር። እዚ ንሕና’ውን ብሉይ ኪዳን ተቐቢልና ስለ ዝነበርና፡ እቲ ባህሊ ምትራፍ ከቢዱ እምበር ምስ ክርስትና ዘተኣሳስር ነገር የብሉን” ይብሉ ቀሺ ኣክሊሉ። ገለ ክፋላት ሕብረተሰብ ዓለም ድማ፡ ምኽንሻብ ደቂ ተባዕትዮ ምልክት መሰጋገሪ ንዓቕመ ኣዳም ዝበጽሐ ወዲ ተባዕታይ ገይሮም ይወስዱዎ። ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣመሪካ፣ ደሴታት ፓስፊክን ፖሊኔዥያን ዝነብሩ ሕብረተሰብ፡ ባህላዊ ግቡእ ንምፍጻም ብዝብል ንኣሽሓት ዓመታት ክሽቦ ደቂ ተባዕትዮ ክፍጽሙ ጸኒሖም። እዚኦም፡ ክሽቦ ባህላዊ ስነ ስርዓት ገይሮም ክወስዱዎ እንከለው፡ ካብዚ ብዝብገስ ዝርግሐ ክሽቦ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሃገር ኣብ ዝነብር ህዝቢ ዝተፈላለየ ምዃኑ ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ። ንኣብነት፡ 84 ሚኢታዊት ደቂ ተባዕትዮ ኬንያ ተኸንሺቦም’ዮም፤ እንተዀነ እዚ ሉዎን ቱርካናን ተባሂሎም ኣብ ዝጽውዑ ዓሌታት ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ። ብተወሳኺ ኣባላት ማሕበረሰብ ሉዎ ኣብ ዝነብሩሎም ከባቢታት ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ዝርከቡ ደቂ ተባዕትዮ ኣይኽንሸቡን። ኣብ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ዘለዋ ሃገራት ድማ፡ ምኽንሻብ ደቂ ተባዕትዮ ዝርግሐ ኤችኣይቪ ንምንካይ ይሕግዝ’ዩ ብዝብል ኣካል ጥዕና ማሕበረሰብ ተገይሩ ዓብዪ ጐስጓስ ይግበረሉ። “ኣነ፡ ምኽንሻብ ኣይምዕድን” ይብል ዶክተር ባእደ። ናይዚ ምኽንያት ከረድእ እንከሎ፡ “ክሽቦ ብሕክምና ግዴታ ስለ ዘይኰነ፡ ሰባት ክኽንሸቡ ኣለዎም ኣይብልን። ግን ክኣ ኩነታት እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ግምት ብምእታው ደቂ ተባዕትዮ እንተተኸንሸቡ’ውን ኣይቃወምን” ኢሉ። ረብሓታት ምኽንሻብ ደቂ ተባዕትዮ ከንጠቅስ እንካብ ጸናሕና፡ ጐናዊ ሳዕቤንከ ይህልዎ’ዶ? ኢልና ክንሓትት ግድን እዩ። እቲ ክኢላ “እወ! ሳዕቤን ክህልዎ’ዩ” ይብል። ዶክተር ባእደ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ምኽንሻብ ደቂ ተባዕትዮ ብሰብ ሞያ ሕክምና ኣይኰነን ዝፍጸም። ስለ ዝዀነ ድማ፡ እቲ ስነ ስርዓት ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን ብልዕቲ ወዲ ተባዕታይ ክደሚ ስለ ዝኽእል፡ ረኽሲ ከጋጥም ከም ዝኽእል ይሕብር። ካብኡ ሓሊፉ፡ ትኽክለኛ ዘይኰነ ኣካል'ውን ክቑረጽ ይኽእል'ዩ። እዚ፡ ኣብ ትካል ሕክምና ዝወሃብ እንተዀይኑ ግን፡ ተመሳሰልቲ ሓደጋታት ዘጋጥምሉ ዕድል ትሕቲ ሓሙሽተ ሚኢታዊት'ዩ ይብል። \"እቲ ዕልቦ ልዕሊ ዓቐን እንተተሳሒቡ ሓደጋ ከብጽሕ ይኽእል'ዩ\"። ዶክተር ባእደ ወሲኹ፡ ክኽንሸቡ ዘይግብኦም ህጻናት ከም ዘለው ይጠቅስ። ክኽንሸቡ ዘይብሎም ክብሃል እንከሎ፡ ብሕክምና ተራእዮም ዘይኽንሸቡ ህጻናት ማለት'ዩ። ንኣብነት 'ሄሞፊሊያ' ዝብሃል ሕማም ኣሎ። እዚ ብተወርሶ'ውን ክመጽእ ስለ ዝኽእል ህጻናት ናይ ምጥቃዕ ዕድል ኣለዎ። ስለዚ እዚ ሕማም ዘለዎም ሰባት ክኽንሸቡ ኣይምክርን። ብባህላዊ መገዲ ዝፍጸም ክሽቦ ግን ነዚ ኣብ ግምት ዘእተ ኣይኸውንን። ገለ ሕክምናዊ ጸብጻባት ድማ፡ ክሽቦ ደቂ ተባዕትዮ ዕግበት ጾታዊ ርክብ ክንኪ ከም ዝኽእል ይጠቅሱ ይብል ዶክተር ባእደ። ክሽቦ፡ ኣብ ክልቲኡ ጾታ ዝፍጸም ስርዓት’ዩ። ይኹን’ምበር፡ ኣብ ልዕሊ ጓል ኣንስተይቲ ዝፍጸም ክሽቦ፡ ኰነ ተባሂሉ ናይ መራብሒ ኣካላ እዩ ዝቑረጽ። በዚ ምኽንያት፡ ክሽቦ ጓል ኣንስተይቲ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጉድኣት ስለ ዘስዕብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ተግባር ብደረጃ ዓለም ጠጠው ክብል የተሓሳስብ። እቲ ትካል ብ2019 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ዓለም ኣስታት 200 ሚሊዮን ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ከም ዝተኸንሸባ ገሊጹ ነይሩ። እዚ፡ ኣብ ኣስታት 30 ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ብሰፊሑ ዝርአ ኰይኑ፡ ኣብ ኤስያን ደቡብ ኣመሪካን ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ’ውን ይኽንሸባ እየን። ሕቡራት ሃገራት ከም ዝብሎ፡ ኣብ ኤውሮጳ፣ ሰሜን ኣመሪካ፣ ኣውስትራሊያን ኒውዝላንድን ዝነብሩ ስደተኛታት ሕጊ እተን ሃገራት ጥሒሶም ደቂ ኣንስትዮ የኸንሽቡ’ዮም።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/czqp4e7g1dvo"} {"headline":"መሰል ምንጻል ጥንሲ ክኽበር ዝፅውዓ ኣሽሓት ኣመሪካውያን ተቓውሞ የስምዓ ኣለዋ","content":"ቀዳም ኣብ ርእሰ ከተማ ኣሜሪካ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተለወጠ ናይ ምንጻል ጥንሲ መሰላት ብምቅዋም ድምፆም ኣስሚዖም። እቲ ን ኣስታት 50 ዓመታት ዝፀንሐ ምንጻል ጥንሲ ዝፈቅድ ዝነበረ ሕጊ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካብ ዝስረዝ ድሕሪ ክልተ ሰሙን እዩ እዚ ሰልፊ ተኻይዱ። እቶም ተቓወምቲ \"ኣይንምለስን ኢና\" እናበሉ ኣብ ከባቢ ዋይት ሃውስ ዝተኣካቡ ኮይኖም ገሊኦም እውን ንብዓሎም ምስቲ ኣፍ ደገ ክኣስሩ ተራእዮም። ብግምት 10,000 ዝዀኑ ሰባት ካብ መላእ ኣሜሪካ ከም ዝተኣከቡ እቶም ኣዳለውቲ ገሊጾም። ጓል 33 ዓመት ሎረን ፒርስ ኣብቲ ሰልፊ ንኽትሳተፍ ካብ ዳላስ ኣስታት 2,100 ኪሎ ሜተር ተጓዒዛ እያ መፂኣ። \" ንዓይ ኣብ ሰብነትና ናይ ምውሳን መሰረታዊ መሰል ክኽበር ካብ ምቅላስ ዝበልፅ ጉዳይ የለን። እዚ ከዓ ማእሰርቲ ዘኸትል እንተድኣ ዀይኑ ድልውቲ እየ\" ትብል። ፒርስ ትነብረላ ግዝኣት ቴክሳስ ሓንቲ ካብተን ምንጻል ጥንሲ ዝተኸልከለለን 10 ግዝኣታት ኣሜሪካ እያ። መብዛሕትኦም ምንጻል ጥንሲ ከም \"ቅትለት\" ዝቖፅርዎ ኣንጻር ምንጻል ጥንሲ ወፈራ ዘካይዱ ሰባት፡ ነቲ ብቤት ፍርዲ ዝተወሰነ ውሳነ ብታሕጓስ'ዮም ተቐቢሎምዎ። ፒርስ ልክዕ ከምቶም ኣብ ዋይት ሃውስ ዝተኣከቡ ብዙሓት ሰባት ንፕረዚደንት ጆ ባይደንን ምምሕዳሩን እቲ መሰል ንክኽበር ዝያዳ ጻዕሪ ብዘይምግባሮም ከም ዝተበሳጨወት ትገልጽ። ፕረዚደንት ባይደን ካብ ደለይቲ ለውጢ ንዘጋጠሞ ጸቕጢ ስዒቡ፡ ኽፍሊ ጥዕና ንምንጻል ጥንሲ ዝከላኸለሉ ቐንዲ መምርሒ ብዓርቢ ፈረሙ እዩ። ስልጣን እቲ ፕረዚደንት ግን ድሩት 'ዩ፤ ንሕጊ ኮንግረስ ሓሊፉ ነቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዘውጽኦ ሕጊ ከልዕሎ ኣይክእልን። ፈጻሚት ዳይረክተር ወመንስ ማርች፡ ሬቸል ኦሊሪ ካርሞና፡ \"ስልጣኑ ድሩት ከምዝኾነ ንፈልጥ ኢና፤ እንተዀነ ግን ብዝተኽኣለ መጠን ነቲ ስልጣን ክጥቀመሉ ኢና እንደልዮ\" ትብል። \"ፕረዚደንት ባይደን ኣብታ ሃገር መሰል ምንጻል ጥንሲ ዝሕሉ ስጕምትታት ንኽወስድ ኢና እንጽውዖ ዘለና። ኣብ ስልጣኑ ኮይኑ ገለ እኳ ክገብር እንተዘይክኢሉ ኸኣ [ከማና] ናብ ጐደናታት ይውጻእ\" ኢላ። ካብ ቨርጂንያ ዝመጸት ጓል 56 ዓመት ሄለን ሚለር \"ቅዋማዊ መሰል ክኽልከል እዚ ንፈለማ ግዜ እዩ። ንኣዋልድ ደቅና፣ ንደቅናን ንህይወትናን ክንብል ኢና ወፂና ዘለና\" ትብል ሓቢራ። ኣስታት 40 ሚልዮን ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዝቕጽል ሰሙናት ጀሚሩ ግልጋሎት ምንጻልጥንሲ ከምዝስእና ይግመት። ኣብቲ ተቓውሞ ምስ ጓላ ሊሳ ዝተሳተፈት ሞሪስ፡ ነታ ጓል 16 ዓመት ዝኾነት ጓል ጓላ ክትብል ካብ ፐንሲልቫንያ ከምዝመጸት ትዛረብ። \"ከምቲ ኣነ ዝነበረኒ ዓይነት ምርጫ ኽህልዋ ይደሊ እየ\" ትብል። ጡረታ ዝወጸት ሞሪስ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንመሰል ምንጻል ጥንሲ ኣፍልጦ ክህብ ከሎ ጓል 26 ዓመት እያ ነይራ። ብህይወት ክሳብ ዘላ እዚ መሰል ክቕየር ዝብል እምነት ከምዘይነበራ ብምሕባር \"እታ ሃገር ናብ ግጉይ ኣንፈት ትጐዓዝ ከምዘላ ይስምዓኒ\" ኢላ።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c03pqlemeg9o"} {"headline":"ሄፓታይተስ ከም ዘለኒ ምስተነገርኩ፡ ሽዑ ዝመውት'ዩ መሲሉኒ'","content":"\"ዝመውት ዘለኹ መሲሉኒ፣ ኣዝየ እየ ፈሪሐ ነይረ”። ቬትናማዊት ላይን ትራን፡ ጓል 18 ዓመት መንእሰይ ኰይና ሕማም ሄፓታይተስ ቢ ከም ዘለዋ ዝፈለጠትላ መዓልቲ፡ ፈጺማ ኣይትርስዓን። “ኣብ ቬትናም፡ ሄፓታይተስ ቢ፡ 'ነድሪ ጸላም ከብዲ' ተባሂሉ'ውን ይጽዋዕ እዩ” ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ። “ኣብ ሽዱሽተ ዓመተይ፡ እኖ ሓጎይ ብመንሽሮ ጸላም ከብዲ ሞይታ፤ ናተይ ዕጫ እውን ከምኡ ዝኸውን'ዩ መሲሉኒ ነይሩ።” እንተዀነ ድሮ 20 ዓመታት ሓሊፉ፤ ላይን ድማ ብዛዕባ ሄፓታይተስ ዝበሃሉ ግጉያት ሓበሬታታትን ምግላልን ንምእራም ትቃለስ ኣላ። እቲ ሕማም ኣለካ ማለት ከምቲ መጀመርታ ዝመስላ ዝነበረ ፍርዲ ሞት ከምዘይኰነ እውን ትገልጽ። ሄፓታይተስ ሓፈሻዊ መጸውዒ ነድሪ ጸላም ከብዲ እዩ። ኤ፡ ቢ፡ ሲ፡ ዲ ን ኢን ዝበሃሉ ልሙዳት ዓይነታት እቲ ሕማም ድማ፡ ነናይ ባዕሎም ብዝዀኑ ረኽሲታት ቫይረስ ዝብገሱ እዮም። ከበድቲ ረኽሲታት ሄፓታይተስ ቢ ን ሲ ን በሰላ ጸላም ከብድን መንሽሮ ጸላም ከብድን ከስዕቡ ይኽእሉ። ጸብጻባት ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝሕብርዎ፡ ኣብ 30 ካልኢት፡ ብውሑድ ሓደ ሰብ ብሄፓታይተስ ይመውት። በዚ መሰረት በብዓመቱ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት በዚ ሕማም ይሞቱ ማለት እዩ። እዚ ድማ ብሕማማት ኤችኣይቪን ዓሶን ተደሚሩ ካብ ዝሞቱ ሰባት ይበዝሕ። ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 350 ሚልዮን ሰባት ብዝተፈላለዩ ዓይነታት ሄፓታይተስ ከምዝተሓዙ ጸብጻባት ውድብ ጥዕና ዓለም የመልክቱ። ብዛዕባ ሕማም ሄፓታይተስ ግንዛበ ንምፍጣር፡ ንምክልኻልን ምሕካምን ዓሊሙ በብዓመቱ 28 ሓምለ መዓልቲ ሄፓታይተስ ይኽበር እዩ። “ካብቶም ምስ ሄፓታይተስ ቢ ዝብሩ ኣስታት 296 ሚልዮን ሰባት፡ እቶም ዝበዝሑ ኣብ እስያን ኣፍሪቃን ዝነብሩ ኰይኖም፡ 14 ሚልዮን ኣብ ኣውሮጳ፡ 5 ሚልዮን ድማ ኣብ ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካ ይርከቡ” ይብል ፈጻሚ ዓለማዊ ጥምረት ሄፓታይተስ ኬሪ ጄምስ። ሄፓታይተስ መብዛሕትኡ እዋን ብረኽሲ ቫይረስ ዝመጽእ ኰይኑ፡ ንኬሚካላት፡ ኣልኮላዊ መስተታትን እጻትን ምቅላዕ ከምኡ እውን ብጀነቲካዊ ጸገማት ክስዕብ ይኽእል። ዝበዝሑ ሕሙማት ሄፓታይተስ ቀልጢፎም ምልክታት ኣየርእዩን እዮም። እቲ ዝበዝሕ ምልክት ክረኣዮም ዓሰርተታት ዓመታት ክወስድ ይኽእል እዩ። ማእከል ምቍጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣመሪካ ካብ ዝዘርዘሮም ምልክታት እዚ ሕማም፡ ረስኒ፡ ድኻም፡ ምስኣን ሸውሃት፡ ስግድግድ (ዕውልውል)፡ ተምላስ፡ ቃንዛ ከብዲ፡ ጽልም ዝበለ ሕብሪ ዘለዎ ሽንትን ቃንዛ መላግቦን ይርከብዎም። ላይን ኣብ ሰሜናዊ ቬትናም ካብ ሓደ ትሑት መነባብሮ ዘለዎ ስድራ እያ ተወሊዳ። ኣብ ምረቓኣ ኣብ ኣውሮጳ ተወሳኺ ትምህርቲ ክትረክብ ዝሕግዝ ዕድል ትምህርቲ ረኺባ። ኰይኑ ግን ናብ ወጻኢ ንምኻድ ሕክምናዊ ምርመራ ኣብ ዝገበረትሉ፡ ሄፓታይተስ ከምዘለዋ ፈሊጣ። “እቲ ዶክተር ሄፓታይተስስ ስለዘለኒ ናብ ወጻኢ ክኸይድ ከምዘይክእል ነጊሩኒ” ትብል። ላይን፡ ሕማማ ክትዛረብ ስለዘይደለየት ብቤተሰባዊ ምኽንያታት ነቲ ዕድል ትምህርቲ ከምዝገደፈቶ ነቶም ነቲ ዕድል ዘቕረቡላ ነጊራቶም። \"ኣብ ቬትናም ብዙሕ ኣድልዎን ምጕናይን ነይሩ፤ ሄፓታይተስ ከምጽዩፍ ነገር ይረአ ነይሩ። ሰባት ምስ ኤችኣይቪ የተኣሳስርዎ ነይሮም፡” ትብል። ሄፓታይተስ ቢ ብቐሊሉ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ኰይኑ፡ ንሳ ድማ ኣብቲ እዋን ኣይተመርዓወትን ነይራ። ኣብቲ እትነበረትሉ ማሕበረሰብ  ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ከም ነውሪ እዩ ዝቝጸር። “ሄፓታይተስ ኣብቲ ማሕበረሰብ ብጽቡቕ ከምዘይርአ ተሰሚዑኒ፣ ስለዚ ንዝዀነ ሰብ ዘይምዝራብ መሪጸ።\" ላይን በቲ ካብ ሓኪማ ዝረኸበቶ ሕክምናዊ ምኽሪ ከምዘይዓገበት እያ እትገልጽ። ድሕሪ ምረቓ ጽቡቕ ክፍሊት ዘለዎ ስራሕ ዝረኸበት ላይን፡ ንኣደኣ ናብ ምርመራ ክትወስዳ ወሲና። እቲ ምርመራ ነቲ ዝፈርሓቶ ዘረጋግጽ ነይሩ። ኣደኣ እውን እቲ ሕማም ተረኺብዋ። \"ውጽኢት እቲ ምርመራ ምስነገርክዋ፡ ናባይ እናረኣየት ክምእትፈልጥ ነጊራትኒ። ናዓይ ነፍሰጾር ኣብ ዝነበረትሉ ዝፈለጠት እመስለኒ።” “ክሳብ ባዕለይ ዝፈልጦ ከይነገረትኒ ምጽናሓ ድማ ንርእሳ ወቒሳ።” እንተዀነ ኣደኣ መዓልታዊ ጸረቫይረስ መድሃኒት ትወስድን፡ ቀጻሊ ምርመራታት ትገብርን ነይራ። ዝተበከለ ደም ምቕባል፣ ብዝተበከሉ ሕክምናዊ ኣቝሑ ዝካየድ ሕክምና፣ ኣብ እዋን ወሊድ ካብ ኣደ ናብ ህጻንን ከምኡ'ውን ጾታዊ ርክብ ሄፓታይተስ ዝመሓላለፈሎም ልሙዳት ጠንቂታት እዮም። ላይን ቅድሚ መርዓኣ ንሕጹያ ሄፓታይተስ ከምዘለዋ ነጊራቶ። ይሕግዛ ከምዝነበረ እውን ትገልጽ። ተመርዕዮም ድማ ወሊዶም። “እቲ ሕማም ካብ ኣደ ናብ ህጻን ከምዝሓልፍ ፈሊጠ። ደቀይ መከላኸሊ ከም ዝረኽባ ገይረ። ሕጂ ክልቲአን ካብቲ ሕማም ናጻ እየን።” ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 296 ሚልዮን ሰባት ብከቢድ ሄፓታይተስ ቢ ዝተታሕዙ ኰይኖም፡ መብዛሕትኦም ካብ ኣደ ናብ ህጻን ዝተመሓላለፉ እዮም። ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝሓበሮ፡ ኣብ 2019 ጥራሕ፡ ሄፓታይተስ ቢ ጠንቂ ሞት 820,000 ሰባት ኰይኑ እዩ። ንሄፓታይተስ ቢ ካብ 98 ክሳብ 100 ሚእታዊት ዝከላኸሉ ክታበታት ከምዘለዉ እዩ እቲ ውድብ ዝገልጽ። ብሄፓታይተስ ዲ ዝከላኸል ክታበት ግን የለን። ክታበት ሄፓታይተስ ቢ ንረኽሲ ሄፓታይተስ ዲ ዝከላከል ኰይኑ፡ ሄፓታይተስ ኤ እውን ናይ ባዕሉ ክታበት ኣለዎ። ንሄፓታይተስ ሲ ዝኸውን ክታበት እውን ኣብዚ እዋን የለን። ገለ ጸረቫይረስ ክኒናታት ግን ካብ ኣስታት 90 ሚእታዊት ሰባት ነቲ ረኽሲ ናይ ምውጋድ ዓቕሚ ኣለዎም። ንሄፓታይተስ ኢ ዝምልከት ድማ፡ ቻይና ንክታበቱ ኣፍልጦ ዝሃበት እንኮ ሃገር እያ። ላይን ደቃ ክታበት ክረኽባ ነፍስወከፈን 100 ዶላር ከፊላ እያ። መብዛሕትኦም ኣብ ኣፍሪቃን እስያን ዝርከቡ ስድራቤታት ግን ነዚ መጠን ክኸፍሉ ዓቕሚ የብሎምን። ኣብ ቀረባ እዋናት፡ ወሰኽ ጸሊም ከብዲ ህጻናት ዘጥቅዕ ዘይተፈለጠ ሕማም ኣብ መላእ ዓለም ተራእዩ እዩ። ክልተ ልሙዳት ቫይረሳት ተመሊሶም ምጥቃዕ ከምዝጀመሩ ድማ መጽናዕቲታት ይሕብሩ። ኣብዚ እዋን ኣብ 35 ሃገራት ብውሑድ 1,010 መልከፍቲታት ክዀኑ ከምዝኽእሉ ዝተገመቱ ርኽበታት ከምዘለዉ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ። ሄፓታይተስ ዋላ'ኳ ንሚልዮናት ዘጥቅዕ ሕማም እንተዀነ፡ ዝተወሃቦ ትዅረት ግን ብኣንጻራውነት ዝነኣሰ እዩ። ምስቲ ሕማም ዝተወለዱ ሰባት ቀልጢፎም ንሕማም መንሽሮ ዘይቃልዑ ምዃኖም፡ ነቲ ሕማም ብእዋኑ ንዘይምሕካምን ሸለል ክበሃልን ከምዝገበሮ እዩ ኬሪ ጄምስ ዝገልጽ። \"መብዛሕትኦም በቲ ሕማም ዝጥቅዑ፡ ካብ ትሑት መነባብሮ ዘለዎ ማሕበረሰብ ምዃኖም'ውን ምኽንያት ክኸውን ይኽእል።” ላይን ንትምህርቲ ናብ ኣውስትራልያ ምስከደት፡ ግንዛበ ኣብ ምፍጣር ክትዋሳእ ጀሚራ። \"ናብ ኣውስትራልያ ምስ መጻእኩ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ፡ ምስ ሚኒስተራት መንግስቲ ቪክቶርያ ኮፍ ኢለ ተዘራሪበ።” ኣብዚ እዋን ድማ ተመኵሮኣ ንሕሙማት ተካፍል ኣላ። “ሓይሊ ከምዝረኸብኩ ይስመዐኒ። ብዛዕባ ሄፓታይተስ ክዛረብ ሓጐስ ይስመዐኒ። ዝሓብኦ ነገር የብለይን።” ኣብዚ እዋን ላይን ጓል 38 ዓመት እያ፤ ንመንእሰያት ድማ ዝስዕብ መልእኽቲ ተሕልፍ። “ ዓቢይ ጸገም ኣይኰነን፤ ምስ ሄፓታይተስ ክትነብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ሞያውን ውልቃውን ህይወትኩም ዕዉታት ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም፡” ትብል።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/clw44d8201jo"} {"headline":"ሶማላዊት ኣሜሪካዊት ኣባል ባይቶ ኢልሃን ዖማር ኣብ ቀይዲ ኣትያ","content":"ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ንመሰል ምንጻል ጥንሲ ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፊ ተኣሳሲሩ ብውሕዱ 17 ደሞክራስያውያን ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ ተኣሲሮም። ኢልሃን ዖማር፡ ኣሌክሳንድርያ ኦካስዮ-ኮርተዝን ራሺዳ ቲላይብን ካብቶም ኣብ ጥቓ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ዝተኣሰሩ እየን። ኢልሃን ብዛዕባ ማእሰርታ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሐቶ ሓበሬታ፡ “ሎሚ ኣብ ከባቢ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣብ ህዝባዊ ተቓውሞ እናተሳተፍኩ እንከለኹ ምስ ካልኦት ኣባላት ባይቶ ተኣሲረ፡” ኢላ። እታ ኣባል ባይቶ ኣሜሪካ ወሲኻ፡ ነቲ ኣሜሪካውያን ደቂ ኣንስትዮ ጥንሲ ናይ ምንጻል መሰል ንምርካብ ዘካይዳኦ ቃልሲ ምሕጋዝ ክትቅጽል ምዃና ሓቢራ። ኣብቲ ኣብ ትዊተር ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ኢልሃን ዖማር እትርከቦም ኣባላት ባይቶ፡ ኣእዳዎም ብካቴና ከም እተኣስረ ብምምሳል ኣብ ፊት ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣሜሪካ ተቓውሞታት እናስምዑ የርኢ። ፖሊስ ኣሜሪካ ብወገኑ 17 ኣባላት ባይቶ ዝርከብዎም 35 ሰባት ኣብ ቀይዲ ምእታው ኣረጋጊጹ። “ንምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ምኽልካል ሕጋዊ ኣይኮነን። ስለዚ ፖሊስ ሰለስተ ግዜ መጠንቀቕታ ድሕሪ ምሃብ፡ ስጕምቲ ወሲዱ” ይብል ኣብቲ ኣብ ትዊተር ዘውጽኦ መግለጺ። እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ቅድሚ ምእታዎም፡ “ካብ ኣካላትና ኢድኩም ኣልዕሉ” እናበሉ ብምጭራሕ ነቲ ጽርጊያ ዓጊቶምዎ ምንባሮም ኣብቲ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ይርአ። እቲ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣሜሪካ ኣብታ ሃገር ንዝጸንሐ መሰል ምንጻል ጥንሲ መኸተምታ ድሕሪ ብምግባሩ ዝተበገሰ እዩ።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ck7ymrdwrygo"} {"headline":"መድሃኒት ብግቡእ ዘይምጥቃም ‘ስሚ' እዩ ዝቕየር","content":"ሓንቲ ከኒና ክተድሕነና ወይ’ውን ክትቀትለና ትኽእል እያ። ስለ ዝዀነ’ዩ ድማ መብዛሕትኦም ኣፋውስ ብዘይ ትእዛዝ ሓኪም ክሽየጡ ዘይፍቀድ። ሓደ መድሃኒት ክንዕድግ እንከለና መዓስን ብኸመይን ከምእንወስዶ መምርሒ ዝወሃበናን’ውን ብዘይ ምኽንያት ኣይኰነን። ኣብዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ጸረ-ነፍሳት መድሃኒት ዘይስዕሮም ደቀቕቲ ነፍሳት ኣዝዮም በዚሖም ከም ዘለው እዩ ዝንገር። እዞም ደቀቕቲ ነፍሳት ብመድሃኒት ክሞቱ እናተገብአ ዘይሞቱሉን እቲ ዝሓመመ ሰብ’ውን ዘይፍወሰሉን ኵነታት ብብዝሒ ይርአ ኣሎ። እዚ ኸኣ ንሰብ ሞያ ጥዕና ኢትዮጵያ ዘጨንቕ ዘሎ ጉዳይ ኰይኑ’ሎ። ዶ\/ር እስከዳር ፍርዱ ኣብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ትሰርሕ ሐኪም እያ። “እዚ ነገር ንዅሉ ሓኪም ዘጨንቕ ዘሎ ጉዳይ እዩ፡” ትብል። እዚ ጭንቀት ካብ ምንታይ ዝነቅል'ዩ? ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ፡ ብፍላይ ኣብ ከም ኣሞክሲሊን፡ ሜትሮኒዳንዞል፡ ሲፕሮፍሎክሲን ዝኣመሰሉ ጸረ-ነፍሳት መድሃኒታት፡ ናይ ምፍዋስ ዓቕሞም እናደኸመ ክመጽእ ይስትውዓል ኣሎ። ዓቕሞም ዝዳኸም ዘሎ ግን እንታይ ሓድሽ ክስተት ስለዘሎ እዩ? እቲ ሓደ ምኽንያት፡ ገለ ሰባት ነዞም መድሃኒታት ብዘይ ትእዛዝ ሓኪም ካብ ሰባት እናወሰዱ ስለዝጥቀሙ እዩ። ሓያለ ኢትዮጵያውያን፡ ሓኪም ን7 መዓልቲ ዝኣዘዘሎም መድሃኒት ጸረ-ነፍሳት ምውሳድ ጀሚሮም ለውጢ ክርእዩ እንከለው፡ “ሒሹኒ'ኮ” ኢሎም ኣብ ሳልሳይ መዓልቶም ከቋርፅዎ ይረኣዩ። ከምዚ ዝበለ ኣጠቓቕማ ሓደገኛ ሳዕቤን ዘለዎ ምዃኑ ሰብ ሞያ ጥዕና የጠንቅቝ። መድሃኒት ምቁራፅ ሳዕቤኑ ኣብቲ ሰብ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ሕብረተሰብ ከይተረፈ ዝጸሉ እዩ። እቶም ነፍሳት ምስቲ መድሃኒት እናተላመዱ ስለዝመጽኡ ተጻዋርነት የማዕብሉ። ከምዚ ዝበለ ኵነታት ብነፍሳት ዝምዕብል ተጻዋርነት “Antimicrobial resistance” ተባሂሉ’ዩይፍለጥ። ነፍሳት ክቐትለልና ኢልና ንወስዶ መድሃኒት እቲ ዝድለ ፍወሳ ከየምጽአ ይተርፍ ኣሎ ማለት እዩ። እቶም ተህዋስያን ነቲ መድሃኒት ተጻዊሮም ኣብ ኣካላትና ሰሪቶም ይተርፉ። ብኸምዚ ኣጠቓቕማ መድሓኒት ዕሽሽ ብምባል ኣብ ዓለም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ንሞት ተቓሊዖም እዮም። ኣብ ኢትዮጵያ ግን ብልክዕ ዝፍለጥ ቍጽሪ የለን። እዚ ብነፍሳት ዝምዕብል ተጻዋርነት መድሃኒት፡ ኣብ 2050 [ኣ.ኤ] እቲ ቀዳማይ ቀታሊ ከም ዝኸውን ክኢላታት ይንበዩ። ኣብ ኢትዮጲያ ሰብ ሞያ ጥዕናን ሓካይምን ኣብ ዝሰርሑሎም ትካላት፡ ብነፍሳት ዝምዕብል ዘሎ ተጻዋርነት መድሃኒት የስተውዕሉ ከምዘለው ይዛረቡ። ካብዞም ሓኻይም ሓደ ዶ\/ር እስከዳር እዩ። ኣብ ትካላት ጥዕና ተጻዋርነት መድሃኒት ዘማዕበሉ ነፍሳት ምርኣይ ልሙድ’ኳ እንተኾነ ኣብዚ እዋን ግን ናብ ሕብረተሰብ ከምዝወረደ ዘርእዩ ምልክታት ይረኣዩ ከምዘለው፡ ዶ\/ር እስከዳር ይሕብር። ዶ\/ር እስከዳር ከምዝብሎ ብርክት ንዝበሉ ተሓከምቲ ዝተኣዘዘ መድሃኒት ጸረ-ነፍሳት ውጽኢታዊ ኣይከውንን ዘሎ። ንሰዓል፡ ንረኽሲ፡ ንውጽኣት እናበልና ከም ቀሊል ነገር እናረኣና ብዘይ ትእዛዝ ሓኪም መድሃኒት ምዕዳግ ጌጋ ምዃኑ የጠንቅቕ። እዚ ጕድለት’ዚ ዝፍጽሙ ዘለው ኸኣ እቶም ዓደግቲ ጥራይ ዘይኰኑስ እንተላይ እቶም ሸየጥቲ ትካላት - ፋርማሲታት’ውን እዮም። እዞም መድሃኒታት ብዘይ ሕጋዊ ትእዛዝ ሓኪም ከይሽየጡ ዝተባህለ እምበኣር ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። ተመራመርቲ ጥዕና እዮሳይት ዝዀኑ፣ ገብረመድህን በዕደማርያምን ትንሳኤ ተክሌን ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዘሐተምዎ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ ካብ 262 ፋርማሲታት እተን 166 ብዘይ ሕጋዊ ትእዛዝ ሓኪም መድሃኒታት ከም ዝሸጣ ይሕብር። ኣብዚ ምቍጽጻር ክገብር ዘለዎ በዓል መዚ መግቢን መድሃኒትን ኢትዮጵያ እዩ። ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ እንታይ ዝገበሮ ነገር ኣሎ? ኣብቲ ትካል፡ ኣተሓባባሪ ግቡእ ኣጠቓቕማ መድሓኒት ዝዀነ ኣቶ ሚሊዮን ትርፌ፡ እቲ በዓል መዚ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ኣፍልጦ ከም ዘለዎ ይዛረብ። እቲ በዓል መዚ ኣብ 7 ክልላት ጨናፍር ኣብያተ ጽሕፈት’ኳ እንተለዎ፡ ብቐጥታ ስጕምቲ ኣብ ምውሳድ ግን ጸገማት ከም ዘለዎ ብምጥቃስ እዚ ዝስዕብ ምላሽ ይህብ። “ንሕና ኣብ ፌደራል ኢና ዘለና፣ ናብ ሓደ ክልል ኬድና እዚ ጌጋ ርኢና ኣለና እንተበልና ስጕምቲ ክንወስድ ግን ኣይንኽእልን። እተን ክልል ናይ ባዕልና ሓላፍነት እዩ እየን ዝብላ።” እቲ ጸገም ኣብ ትካላት መሸጣ መድሃኒት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ውልቀ ሰባት እውን ከም ዘሎ ዝገልጽ ኣቶ ሚሊዮን፡ ብትህኪት፡ ኣቐዲሞም ዝገዝእዎ መድሃኒት ደጊሞም ምውሳድ ዝመርጹ ሰባት ከም ዘለው ይሕብር። ወይ’ውን ናብ ፋርማሲ ከይዶም ባዕላቶም ዝፈልጦ መድሃኒት ይዕድጉ። ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ሰብ ባዕሉ ይሕከም ኣሎ ማለት እዩ። ሰባት ስለምንታይ እዮም ባዕላቶም መድሃኒት ክወስዱ ዝመርጹ? ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኮሌጅ ጥዕና ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ክሊኒካል ፋርማሲ ዝዀነ ጌታቸው አለምቀረ፡ “ሕጽረት ግንዛበ ዘስዓቦ እዩ፡” ይብል። “ኵሉ ሳዕ ኣብ መንጐ ተራ ሰባትን ዝተማህሩን ዘሎ ፍልጠት ይፈላለ እዩ።\" ሓደ-ሓደ ግዜ ዝሓሸና ይመስለና ይኸውን፣ ግን ሕማምና ይጋደድ እዩ ዘሎ። ሓደ-ሓደ ግዜ ከሕውዩ ዝተሰርሑ መድሃኒታት ባዕላትና ሰኣን ግቡእ ኣጠቓቕማ ናብ ስሚ ንልውጦም ኣለና።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cn4jve9v70vo"} {"headline":"ምኻድ ጥንሲ፡ 'ሬሳ ዕሸል ውላድና ኣብ ናይ ገዛና ፍርጅ ከነጽንሖ ተገዲድና'","content":"ኣብ ጠረጴዛ ክሽነኦም ኮፍ ኢሎም፡ ርእሶም ብኢዶም ደጊፎም ብዛዕባ'ቲ ዘጋጠሞም ዘሕዝን ዛንታ ክዛረቡ እንከለዉ፡ ቃንዝኦም ኣብ ገጾም ይንበብ። ላውራን ሎረንስን፡ ውላዶም ብዛዕባ ዝሰኣንሉ \"ገሃነማዊ\" ኩነታት'ዮም ዘዘንትዉ። እቲ ዘጋጠሞም ኩነታት፡ ፈጺሙ ዘይሕሰብ ነገር ክገብሩ ዘገደዶም ነይሩ። \"ንውላደይ ኣብ ናይ መግቢ መትሓዚ ገይረ ካብ ሆስፒታል ብታክሲ ናብ ገዛ ብምውሳድ፡ ኣብቲ ፍርጅ ዝነበረ ኣስቤዛ ኣጸጋጊዐ ኣብኡ ኣቐሚጠዮ\" ይብል ሎረንስ። መጻምድቱ ዝኾነት፡ ላውራ ምኻድ ጥንሲ ምስ ኣጋጠማ፡ ናብቲ ኣብ ከተማ ለንደን ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ለዊሻም፡ ክፍሊ ህጹጽ ኣገልግሎት ከይዶም። እንተኾነ ግን፡ ነቲ ዕድመ ደፊኡ ዝተወልደ ዕሸል ዝኸውን ውሑስ መቐመጢ ከምዘይነበረ'ዩ ተነጊርዎም። በዚ ተስፋ ዝቖረጹ እቶም መጻምድቲ፡ ዝነበሮም ኣማራጺ ንሬሳ ናይቲ ህጻን ናብ ገዝኦም ምውሳድ ጥራይ ነይሩ። ሰብመዚ ጥዕና 'ኤን-ኤች-ኤስ' ግሪንችን ለዊሻምን፡ ብዛዕባ'ቲ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ዘጋጠመ ፍጻመ ምሉእ መርመራ ይግበር ምህላዉ ገሊጾም ኣለዉ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ጉዳይ ብዛዕባ ኣብ ብሪጣንያ ዘሎ ምስ ምኻድ ጥንሲ ዝተሓሓዝ ኣገልግሎት ኣቓልቦ ስሒቡ ኣሎ። ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጥንሲ፡ ላውራ ክትደሚ ምስ ጀመረት ክልቲኦም መጻምድቲ ገለ ጸገም ከምዘሎ ክርድኦም ጀሚሩ። ሕክምናዊ ሓገዝ ንምርካብ ናብ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ለዊሻም፡ ክፍሊ ጥንሲ፡ ምስ ከዱ ድማ፡ ህርመት ልቢ ናይቲ ዕሸል ደሓን ከምዘሎን፡ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘሎን ተነጊርዎም። ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ብዝገበርዎ ተወሳኺ 'ስካን' ግን፡ እቲ ህጻን ከምዝሞተ ሓካይም ኣረጋጊጾም። ላውራ ነቲ ድሮ ኣብ ማህጸና ዝሞተ ዕሸል ንክትገላገል ኣብቲ ሆስፒታል ዓራት ክሳብ ዝርከብ ክጽበዩ ተነጊርዎም ንገዝኦም ተመሊሶም። ድሕሪ ሒደት መዓልታት ግን፡ ላውራ ከቢድ ቃንዛ ክስምዓ ጀሚሩ። ናብ ሽቓቕ ጎያ ብምኻድ ድማ ኣብኡ ተገላጊላ። ፈለማ እንታይ ከምዘጋጠማ ከምዘይተፈለጣ'ያ ትዛረብ። ነቲ ኣብቲ ዝነበረቶ ዓይኒ-ምድሪ ዝወደቐ ነገር ምስ ኣልዓለቶ ግን፡ ሬሳ ውላዳ ምዃኑ በሪሁላ። \"ሽዑ ድማ'የ ወዲ ምዃኑ ክርእዮ ኪኢለ\" ትብል። ብስንባድ እናወጨጨት ካብቲ ሽቓቕ ብምውጻእ ድማ፡ ማዕጾ ብድሕሪኣ ረጊጣ፡ ንመጻምድታ \"ናብኡ ኣይትኺድ\" ኢላቶ። ብድሕሪኡ ዘጋጠመ ዕግርግር በቲ ኩነታት ዝሰንበዱ መጻምድቲ፡ 999 ብምድዋል ህጹጽ ደገፍ ክመጾም ተማሕጺኖም። ነቲ ሂወት ዘይነበሮ ውላዶም ብዝጠልቀየ ጨርቂ ጠቕሊሎም ኣብ ናይ መግቢ መትሓዚ ሳጹን ኣእትዮም ናብ ክፍሊ ህጹጽ ሕክምና ኣምሪሖም። ኣብኡ ምስ በጽሑ ግን ዕግርግር ኮይኑ ይብሉ። \"ኣብቲ ህዝቢ ዝጽበየሉ ሓፈሻዊ ክፍሊ ክንጸንሕን፡ ኣብ ድሕሪት ኮፍ ክንብልን ተገኒሩና\" ትብል ላውራ። \"ንውላደይ ኣብ ጎማ ሒዘ፡ እናበኸኹ ምስ 20 ወይ 30 ሰባት ኣብ መጸበዪ ክፍሊ ኮፍ ክብል ተገዲደ\" ክትብል ወሲኻ ትዛረብ። ኣብ መወዳእታ፡ መዳሕንታ ንምውጻእ ናብቲ መጥባሕቲ ዝግበረሉ ቦታ ተወሲዳ። እዚ ኹሉ ክኸውን፡ ኣብቲ ውዑይእን ዕቡጥን ክፍሊ ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት እቲ ምዉት ህጻን ኣብቲ ሒዞሞ ዝነበሩ መትሓዚ ጎማ'ዩ ነይሩ። \"ነቲ መትሓዚ ከፊቱ ንውላድና ክርእዮ ዝፈተነ ሰብ ኣይበረን\" ትብል ላውራ ዝተሰምዓ ሓዘን ንምግላጽ። \"ንህላዌኡ ኣፍልጦ ክህቦ ዝደለየ ሰብ ከምዘይነበረ ኮይኑ'ዩ ዝስምዓካ። ምኽንያቱ ከምኡ እንተኾይኑ፡ ነቲ ጸገም ክፈትሑ ክግደዱ እዮም\" ይብል ሎረንስ ብወገኑ። ፍርቂ ለይቲ ምስኮነ ኸኣ፡ ሬሳ ውላዶም ናብ ገዝኦም ካብ ምምላስ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮምን። \"ኣብቲ ሆስፒታል ብዛዕባ ውላድና ሓላፍነት ክወስድ ዝደለየ ሰብ ኣይነበረን። እንታይ ይካየድ ከምዝነበረ ዝፈልጥ ሰብ ኣይነበረን\" ይብል ሎረንስ። \"ውላድ፡ ንኣስታት ሓሙሽተ ሰዓታት ኣብቲ ውዑይ ክፍሊ'ዩ ነይሩ። ሽዑ ኣነ ናብ ገዛ ክወስዶ ተሰማሚዕና\" ይብል። ከም ተራ ነገር ወዱ ኣብ መትሓዚ መግቢ ኣንጠልጢሉ ብታክሲ ንገዛ ክምለስ ከቢድ ምንባሩ ድማ የዘንቱ። \"ኣብ ፍርጅ ቦታ ንምርካብ ከጸራርግ ዝነበረኒ ስምዒት ጽምዋ ሕልሚ-መሰል'ዩ ነይሩ\" ክብል ነቲ ዝነበረ ኩነታት ይገልፆ። \"ሕማቕ ትርኢት'ዩ ነይሩ\" ትብል ላውራ ብወገና። ሰብመዚ ትካል ጥዕና ናይቲ ከባቢ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ \"ኣዚና ይቕሬታ ንሓትት። ብዘሕዝን ሞት ወዶምን ዘሕለፍዎ ዘሰቅቕ ተሞክሮን ዝተሰምዓና ሓቀኛ ሓዘን ንላውራን መጻምድታን ንገልጽ\" ኢሉ። \"ኣድላዪ ለውጥን ምምሕያሽን ክግበር ምእንቲ፡ ኣብቲ ጉዳይ ዝነበረ ናይ ኣገልግሎት ጌታታት ንምርዳእ ምሉእ መርመራ ይካየድ ኣሎ\" ክብል'ውን ቃል ኣትዩ። 'ናብ ገሃነም ተጸጊዕና' ቢቢሲ ብዛዕባ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘጋጥም ምኻድ ጥንሲን ዝወሃብ ኣገልግሎትን ኣመልኪቱ ዘዳለዎ ጸብጻብ ዝተኸታተሉ ላውራን ሎረንስን፡ ተሞክሮኦም ንምክፋል ተወኪሶሞ። ንካልኦት ከምኡ ከየጋጥሞም ክዛረቡ ከምዝወሰኑ'ዮም ዝገልጹ። \"ምስ ጥንሲ ዝተሓሓዝ ጸገማት ምስ ዘጋጠም ውሕስነት ከምዘየሎ'ዩ ዝስምዓካ\" ትብል ላውራ። \"ዋላ'ኳ ኩሎም እቶም ሰራሕተኛታትን ሰብሞያን ዝካኣሎም ዝገብሩ እንተኾኑ፡ እቲ መስርሕ ግን ብዙሕ ነቓዕ ስለዘለዎ፡ ናብ ገሃነም ዝተጸጋዕና ኮይኑ'ዩ ተሰሚዑና\" ክብሉ ነቲ ዘሕለፍዎ ኩነታት ይዝክርዎ። ነተን ምኻድ ጥንሲ ዘጋጥመን ደቂ-ኣንስትዮ ብኸመይ ክእለያ ከምዘለወን ዝሕብር ኣብ ምሉእ ብሪጣንያ ዝሰራሓሎም ሃገራዊ መምርሒታት ኣለዉ። እንተኾነ ግን ሰብሞያ ጥዕና ብግቡእ ንክርድእዎም፡ እኹል ግዜን ስልጠናን ዘይረኽቡ ምዃኖም ስክፍታታት ኣሎ። ክፍሊ ጥዕና ከምዝብሎ፡ ሓደስቲ ዝወጹ መምርሒታት ብኸመይ ሆስፒታላት ንግዳያት ምኻድ ጥንሲ ኣገልግሎት ክህቡ ከምዘለዎም ክሕግዙ እዮም። ኪኢላ መወልዳንን ኣፈኛ ማሕበር ሮያል ኮለጅ መወልዳንን ጥንስን ፕሮፌሰር ለስሊ ሬጋን ከምዝበለቶ፡ ዝደንጎየ ምኻድ ጥንሲ ሳሕቲ- ንሓንቲ ካብ 100 ጥኑሳት- ዘጋጥም ብምዃኑ፡ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረዲኤት እንታይ ከምዝገብሩ ዘይክፈልጡ ይኽእሉ እዮም። ብሉጻት መምርሒታት ምኻድ ጥንሲ ምንጪ፡ ማሕበር ምኻድ ጥንሲን ሃገራዊ ኣገልግሎት ምሕዛንን (Miscarriage Association and National Bereavement Care Pathway) ሓላፊት ማሕበር ምኻድ ጥንሲን ሃገራዊ ኣገልግሎት ምሕዛን ሩት በንደር ኣቲክ፡ ንላውራን ሎረንስን ዘጋጠሞም \"ዝጽወር ኣይኮነን\" ክትብል ብምግላጽ፡ ኩሉ ኣገልግሎታት \"ሕማቕ\" እዩ ኢልካ ምሕሳብ ግን ጸቡቕ ከመዘይኮነት'ያ ተጠንቅቕ። \"ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ረዲኤት ዝኸደ ጥንሲ ወይ ናኣሽቱ ዕሸላት ብውሕስነት፡ ብኽብሪን ጥንቃቐን ዝቕመጥሉ ንጹር መለለዪ ዘለዎ ዝሑል ቦታ ክህሉ ኣለዎ\" ትብል ኣቲክ። ኣባል 'ድሓን ኩኑ' (Saying Goodbye) ዝተባህለ ማሕበር ዝኾነትን፡ ማንታ ኣደ-መንበር 'ፕረግናንሲ ሎስ ረቪው' ዝተባህለ መንግስታዊ ኣካልን ዝኾነት ዞዊ ክላር-ኮትስ ግን፡ እቲ ጉዳይ ሳሕቲ ዘጋጥም ከምዘይኮነን፡ ገለ ወለዲ ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ሆስፒታላት ክሳብ ዝቕበልዎም ሬሳ ደቆም ኣብ ገዝኦም ሒዞም ክጸንሑ ይንገሮም'ዩ ትብል። ምኻድ-ጥንሲ ዘጋጥመን ደቂ-ኣንስትዮ፡ ጠንቁ ንምፍላጥ መርመራ ምእንቲ ክግበረሉ እቲ ዝኸደ ጥንሲ ይኹን ሬሳ ናይቶም ዕሸላት ናብ ሆስፒታላት ክወስደኦ'የን ዝምከራ። ምስ ምኻድ ጥንሲ ብዝተሓሓዝ ሓገዝ ንምርካብ ኣብዚ ክትጥውቑ ትኽእሉ ኢኹም።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61639058"} {"headline":"ጥንሲ ስለ ዝኸደኒ ተኣሲረ'","content":"ኣሜሪካ ሕገ መንግስታዊ መሰል ምንጻል ጥንሲ ምቁራጻ ስዒቡ ዝተፈላለየ ግብረመልሲ ክወሃብ ቀንዩ እዩ። ኣብ ኤል ሳልቫዶር እውን ዝተፈለየ ኣይኮነን። ኤል ሳልቫዶር ምንጻል ጥንሲ ዝኽልክሉ ጽኑዕ ሕግታት ኣለዋ። ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ብዛዕባ ዘጋጠመን ነገር ንፈለማ ግዜ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ቀሪበን ዝተዛረባ ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ዝተኣሰራሉ ግዜ ብሓፈሻ ኣስታት 50 ዓመት ይኸውን። እዘን ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ዝተኸሰሳሉ ገበን ከምዕድል ኰይኑ ጽኑዕ ሕግታት ምንጻል ጥንሲ ኣብ ዘለዋ ሃገር ምኻድ ጥንሲ ስለዘጋጠመን እዩ። ካብዚአን ሓንቲ ኤልሲ ትበሃል። ኣብ 2011 (ኣ.ኣ.) ኤልሲ ነፍሰጾር ኮይና እናሰርሐት ነይራ። ሽቓቕ ክትከይድ ትዝ ይብላ። ብድሕሪኡ ሃለዋታ ስሒታ። ቅሩብ ጸኒሓ ምስ ተበራበረት፡ ብፖሊስ ተኸቢባ ረኺባቶ። እቲ ዕሸል ከይዱ እዩ። ሓለቓኣ ነቲ ጥንሲ ከም ዝነጸለቶ ንፖሊስ ስለዝጠቈመ እዮም ክሕዝዋ መጺኦም። ኤልሲ ኣብ ቤት ፍርዲ ምስ ቀረበት ብኸቢድ ቅትለት ን30 ዓመት ክትእሰር ተፈሪዳ። ተጣበቕቲ ብዝገበርዎ ወፍሪ፡ ፍርዳ ሓጺሩ ድሕሪ 10 ዓመት ማእሰርቲ ክትወጽእ ክኢላ። \"ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሕማቕ ይስምዓኒ ነይሩ፣ ኵሉ ዝሓስቦ ነገር ብዛዕባ እቲ 30 ዓመት ጥራይ እዩ ነይሩ\" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ። “ንኣደይ ኰነ ንስድራቤተይ ደጊም ኣይክርእዮምን እየ ኢለ ሓሲበ\" ትብል። ኤልሲ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኮፍ ኣይበለትን። ትምህርቲ ተማሂራ ዲፕሎማ ተቐቢላ፣ ኣብ ዓወደ-ዘተታት ተሳቲፋን ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝርከብ ቤተ-ክርስትያን ድማ ብወለንታ ኣገልጊላ። እዚ ዅሉ ግን ኣእምሮኣ ነጻ ክኸውን ኣይገበሮን። \"ኵልሳዕ 'እቶም መሰኻኽር ስለምንታይ ከምኡ መስኪሮም?' ኢለ እሓስብ።\" ኣብዚ ሎሚ እዋን ምስ ስድራኣ ትነብር ዘላ ኤልሲ፡ ዘጋጠማ ነገር ኣብ ኤልሳልቫዶር ዝፍጸም \"በደል\" ከምዝዀነ ትገልጽ። ከምኣ ኣጸጋሚ ኵነታት ዘጋጥመን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ከምዘለዋ’ውን ትሕብር። ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት፡ \"ኢስመ\" ዝተባህለት ጓል ኣንስተይቲ፡ ምኻድ ጥንሲ ምስ ኣጋጠመ ከቢድ ቅትለት ፈጺምኪ ተባሂላ 30 ዓመት ተፈሪድዋ እዩ። ፕረዚደንት ኤልሳልቫዶር ናዪብ ቡከለ፡ ፖሊስ ማእሰርቲ ንኽፍጽሙ ዘኽእሎም ፍልይ ዝበለ ሕጊ ካብ ዝፈቅድ ኣትሒዙ፡ ኣብታ ሃገር ተቓውሞታት ምክያድ ኣጸጋሚ ኰይኑ’ሎ። ቀንዲ ተጣባቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ኤል ሳልቫዶር ዝዀነት ማሪያና ሞይሳ፡ ሓንቲ ኣካል እቲ ኣብ ላቲን ኣሜሪካ ዝዝርጋሕ ዘሎ ሓምላይ ምንቅስቓስ \"green wave\" መሰል ምንጻል ጥንሲ እያ። እቲ ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ነጻ ንምውጻእ ወይ ነቲ ሕጊ ንምቕያር ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ማሕበረሰብ ዘሎ ኣረኣእያ እውን ንምልዋጥ ከምዝዀነ ትገልጽ። \"ኣባና እምበር ኣብቶም ፖለቲካዊ ሰልፊታት ዝተመስረተ ስለዘይኮነ፡ ቃልስና ክንቅጽል ይግባእ። \"ንክውንነትና ክንቃለስን ናይ ሓቂ ባህላዊ ለውጥታት ከነስፋሕፍሕን ኣለና፡\" ትብል። ኣብ ኣሜሪካ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕገ መንግስታዊ መሰል ምንጻል ጥንሲ ከምዘቋረጸ ዝዝከር እዩ። ከም ማሪያና ሞይሳ ዝኣመሰሉ ተጣበቕቲ፡ እዚ ኣሜሪካ ዝወሰደቶ ስጕምቲ ኣብ ማእከላይ ኣሜሪካ ዘለዉ ዓቃባውያን ከተባብዕ እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም። ኣረኣእያ ምልዋጥ ግን ብቐሊሉ ዝመጽእ ኣይኮነን። ፓድረ ቪቶ ጓራቶ ኣብ ሳን ሳልቫዶር ናይ ዝተጠንጠኑ ቘልዑ መንበሪ እዩ፤ መብዛሕትኦም ከኣ መጉዳእቲ ኣካል ኣለዎም ። ጓል ሓሙሽተ ዓመት ኣና ሉቺያ ካብቶም ማይክሮፋሊ (ኣዝዩ ንእሽቶ ርእሲ ሒዞም ዝውለዱ ቈልዑ) ሓንቲ እያ። ብዝተወፈየላ ባምቡላታት ዝተኸበበት ኣና ሉቺያ፡ ወትሩ ኣቓልቦ ስለዘድልያ፡ እቶም ዝከናኸንዋ ሰባት ምቹእን ምዕሩግን ህይወት ምእንቲ ክህልዋ ዝከኣሎም ይገብሩ እዮም። እቲ ሓቂ ግን ገሊኦም ወለዲ ኣብ ኤልሳልቫዶር ምንጻል ጥንሲ ክፍጽሙ ስለ ዘይክእሉ፡ ቈልዑቶም ክጥንጥኑ እንተዘይኰይኑ ካልእ ኣማራጺ የብሎምን። \"ነቲ ሓላፍነት ክስከማ ዘለወን ኣዴታት ይመስለኒ፡\" ትብል ካብቶም ኣመሓደርቲ እቲ ቤተክርስትያን ሓንቲ ዝኾነት ሮዛ ኤቨሊን። \"ኣምላኽ ኣደ ክትከውን እንተደኣ ፈቒዱላ፡ ኣምላኽ ክሳዕ ዝፈቐዶ ኣደ ክትከውን ኣለዋ።\" ኣብታ ካቶሊካዊት ሃገር ብዙሓት ዝቕበልዎ ኣረኣእያ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ እቲ ሎሚ ኣብ ማእከላይ ኣሜሪካ ብቕልጡፍ ዝዓቢ ዘሎ ሃይማኖት ወንጌላዊ ክርስትና (evangelical Christianity) እዩ። ኣብ ውሽጢ ባይቶ ወንጌላዊ ስነምግባራዊ ስርዓታትን ኣረኣእያታትን እናወሰኸ ክኸይድ እንከሎ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ እውን እናዓበየ ከምዝኸይድ ይግመት። ሓደ ካብቶም ምክትል ፕረዚደንት ሃገራዊ ባይቶ ዝዀነ ጕለርሞ ጋለጐስ፡ ኣኽራሪ ጸረ ምንጻል ጥንሲ እዩ። ምንጻል ጥንሲ ገበን ንኸይከውን ዝግበር ጻዕሪ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ሓጋጊ ዕንቅፋት፡ \"ህይወት ኣደ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዘለወሉ እዋን እውን ከይተረፈ\" ፈጺሙ ከም ዘይሓልፎ ኣትሪሩ ይዛረብ። \"ዝዀነ ኰይኑ እቲ ንእሽቶ ፍጥረት ህይወት ዘለዎ ክሳዕ ዝኾነ፡ ካብታ ኣደ ንላዕሊ፡ ህይወት ናይቲ ፍጥረት ምድሓን እየ ዝመርጽ\" ይብል። ፕረዚደንት ቡከለ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመት ስልጣኑ ዘኽበረላ ዕለት፡ ኣብ ዘቕረቦ ሃገራዊ መደረ ኣብ ህዝባዊ ሆስፒታላት ኤልሳልቫዶር ሕርሲ ዝያዳ ድሕነት ክህልዎ ንምግባር ብዓልቲ ቤቱ እትመርሖ መደብ ንኢዱ እዩ። ብጾታዊ ዓመጽ ወይ ምስ ቀረባ ዘመድ ብዝግበር ጾታዊ ርክብ ዝተፈጥረ ይዅን ብዘየገድስ፡ ምንጻል ጥንሲ ኣይፍቀድን። እዚ ኣረኣእያ እዚ ድማ ኣብዚ እዋን ብስጕምቲ ኣሜሪካ ዝተተባብዐ ኰይኑ ኣሎ።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c2lxp5n92jgo"} {"headline":"ምንጻል ጥንሲ ዝብል ቃል ንርእሱ ጉግል ክገብር'የ ፈሪሐ'","content":"ማሪያ [ሓቀኛ ስማ ኣይኰነን]፡ ከም ዝጠነሰት ምስ ፈለጠት፡ ንበይና ኣብ ሽቓቕ ተሓቢኣ ብሚስጢር ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ሓበሬታ ንምርካብ ተሌፎና ትተናኽፍ። “ፈሪሐ ነይረ፤ ፖሊስ እንታይ ከም ዝገብሩ ኣይፈልጥን። ምንጻል ጥንሲ ዝብል ቃል ጉግል ንዝገብሩ ሰባት ዝእልሹ እዩ ዝመስለኒ ነይሩ፡” ትብል። ማሪያ፡ ኣብ ማልታ እያ ትነብር። ግን ክኣ እቲ ምንጻል ጥንሲ ካብ ማልታ ወጻኢ ካብ ዝርከብ ትካል ዝረኸበቶ ከኒናታት ብምውሳድ ሕጊ ኢጣልያ ስለ ዝጥሓሰት መንነታ ክዕቀብ እያ መሪጻ። “ዶክተር ዘረጋገጾ ቅጥዒ መሊአ፤ ድሕሪኡ እቶም ከኒናታት ክገዝእ ከም ዝኽእል ዝሕብር ኢመይል ተላኢኹለይ”። ማሪያ፡ በይና'ኳ እንተዘይኰነት ብሕታውነት ከም ዝተሰምዓ ግን ትዛረብ። ደገፍቲ ምንጻል ጥንሲ ዝዀኑ ተሓለቕቲ ኣካላት፡ ከምቲ ማርያ ዝወሰደቶ ምርጫ ዝኽተላ ደቂ ኣንስትዮ ይበዝሓ ኣለዋ ኢሎም ይኣምኑ። ብፍላይ ድሕሪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ናብ ወጻኢ ሃገራት ብምኻድ ጥንሲ ንምስዳድ ዝነበረ ኣማራጺ ኣዝዩ ዝኸበደ ኰይኑ፡ ይብሉ። ካብ ክልተ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ዝተረኽበ መረዳእታ፡ ኣብ 2021፡ ንናይ 12 ሰሙን ጥንሲ ክንጽል ዝኽእል ልዕሊ 350 ከኒና ምንጻል ጥንሲ ናብ ማልታ ከም ዝተኣዘዘ የመልክት። ኣብታ ሃገር፡ ምንጻል ጥንሲ ዘእስር ተግባር ኰይኑ፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ፣ ዶክተር ድማ ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ፡ ከምኡ’ውን ክሳብ ምሕዳግ ፍቓድ ሕክምና ከቕጽዕ ይኽእል። ይዅን’ምበር፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ማልታ ክሲ ገበን ዝቐረበላ ጓል ኣንስተይቲ ከም ዘየላ ማዕከን ዜና ማልታ ይገልጽ። ማልታ፡ እታ እንኮ ምንጻል ጥንሲ ዝኸልከለት ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ እያ። ኣብታ ሃገር፡ ዋላ’ውን 'ብሰንኪ ጾታዊ ዓመጽ ወይ’ውን ካብ ዘመድ ዘጋጠመ ጥንሲ ክንጸል ይኽእል እዩ' ዝብል ፍቓድ የለን። ፖለቲካዊ ሰልፍታት ማልታ’ውን፡ ምንጻል ጥንሲ ካብ ገበን ናጻ ክኸውን ዝቐረበ እማመ ኣይደገፉዎን፤ ጐስጐስቲ ግን እቲ ሕጊ ዳግመ ግምት ክግበረሉን ናይ ኣረኣእያ ለውጢ ክመጽእን ተስፋ ይገብሩ። ላራ ዲሚትሪዤቪክ፡ ኣብ ማልታ መስራቲት ጕጅለ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ’ያ፤ ንሳን ጓላ ማያን ምንጻል ጥንሲ ቀስ ብቐስ ኣነዋሪ ዛዕባ ምዃኑ እናነከየ ይመጽእ ኣሎ ይብላ። “ናይ ባዕሉ ግዜ ክወስድ ኣለዎ፤ ክሳብ ሒደት ቀረባ ዓመታት ኣነ ንርእሰይ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ኣግሂደ ኣይዛረብን፤ ቃለ መጠይቕ'ውን ኣይገብርን ነይረ።\" ኣሜሪካዊት በጻሒት ሃገር፡ ኣንድሪያ ፕሩደንት፡ ኣብ ማልታ ንዕረፍቲ መጺኣ እንከላ ዘይምሉእ ምኻድ ጥንሲ ኣጋጢሙዋ። እቲ ጥንሲ ክቕጽል ከም ዘይክእል፡ እቲ ዕሸል’ውን ብህይወት ከም ዘይተርፍ ተፈሊጡ እናሃለወ፡ ሓኻይም ግን ህርመት ልቢ ደው ስለ ዘየበለ እቲ ጥንሲ ከነቋርጾ ኣይንኽእልን ኢሎም። እታ ኣደ፡ ንህይወታ ዘስግእ ረኽሲ ከየጋጥማ ስለ ዝተሰግአ ግን፡ ናብ ስጳኛ ተላኢኻ፤ ሕጂ ንሳን በዓል ቤታን ንመንግስቲ ማልታ ክኸሱ ይሓስቡ። ላራ ድማ ጠበቓ ኣንድሪያ እያ። ጉዳይ ኣንድሪያ ዓለምለኻዊ ኣቓልቦ ብምስሓብ፡ ሕጊ ማልታ ኣብ ዓይኒ ከም ዝኣቱ ገይሩ። መንግስቲ ድማ ነቲ ሕጊ ምምሕያሽ ከም ዝገብረሉ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ሚኒስተር ጥዕና ክሪስ ፊረን “ሕጊ ማልታ ዶክተራት ስርሖም ክሰርሑ ክሕግዞም ኣለዎ። ብርግጽ፡ እቲ ሕጊ ዶክተራትን ሰብ ሞያ ሕክምናን ህይወት ንኸድሕኑ ዝኽልክል ዓንቀጽ ክህልዎ የብሉን” ኢሉ ነይሩ። ቢቢሲ፡ ካብ ክሪስ ቃለ መጠይቕ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን። እቲ ዝግበር ለውጢ ግን ኣዝዩ ድሩትን ምንጻል ጥንሲ ካብ ገበን ናጻ ንምግባር ዘይእኹል ክኸውን ከም ዝኽእል ብዙሓት ይግምቱ። ብሕልፊ ኣብ መናእሰይ ዘሎ ኣረኣእያ እናተቐየረ ይመጽእ’ኳ እንተሃለወ፡ መብዛሕትኦም ኣብ ማልታ ዝነብሩ ሰባት ግን ኣንጻር ምንጻል ጥንሲ ከም ዝዀኑ መጽናዕታት ይሕብሩ። ነበርቲ ኰሪም ዝተባህለት ከተማ፡ ዝኽሪ ቅዱስ ሰባስቲያን ይጽምብሉ’ዮም። ምስ ስድራኡ ዝጽንብል ዝነበረ ወዲ 67 ዓመት ጆሴፍ ሳሊባ ኣብኡ ኢና ረኺብናዮ። ቢቢሲ፡ ብዙሓት ኣብ ማልታ ዝረኸቦም ሰባት ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ርእይቶ ንምሃብ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን፤ ጆሴፍ ግን ሕራይ ኢሉ። “ካቶሊክ’የ፡ ምንጻል ጥንሲ ፈጺመ ኣይቕበሎን። እቲ ዕሸል ንርእሱ ክከላኸል ኣይክእልን” ኢሉ። ህይወት እታ ኣደ ንምድሓን እንተዀይኑ ግን ሓካይም ግቡእ ስርሖም ክሰርሑ ኣለዎም ይብል። ቤተ ክርስቲያን ካቶሊክ፡ ምንጻል ጥንሲ ብተደጋጋሚ ኰኒናቶ እያ። ክኢላ ሕክምና ማህጸን ፕሮፌሰር ኢዛቤል ስታቢል፡ እቶም ሕግታት ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ ሕክምናዊ ረድኤት ዝደልያ ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ዘጋጠመን ኵነታት ክሕስዋ [ጥንሲ ከይዱኒ ክብላ] ከም ዝግበር ትዛረብ። “ዝዀነ ሰብ ብዛዕባ ኵነታቱ ከም ዝሕሱ ምግባር ኣመና ዘጽልእ እዩ” ብምባል ኣብ ቀረባ ለውጢ ክመጽእ እዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዋ ገሊጻ። ብዙሓት ጐስጐስቲ’ውን ኣብ ዝቕጽሉ 10 ዓመታት ለውጢ ክመጽእ’ዩ ኢሎም ይኣምኑ። ኣብዚ ዓመት ድማ መንግስቲ ጸብጻብ ዝገበሮ ምምሕያሽ ከቕርብ ትጽቢት ይግበር።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cev5zydyr8ro"} {"headline":"ብሰብኣያ ን17 ዓመታት ተኣሲራ ዝነበረት ጓል ኣንስተይቲ ነጻ ወጺኣ","content":"ምስ ክልተ ደቃ፡ ብሰብኣያ ን17 ዓመታት ተኣሲራ ዝጸንሐት ብራዚላዊት ጓል ኣንስተይቲ ነጻ ወጺኣ። ኣብ ርእሰ ከተማ ብራዚል ሪዮ ዲ ጃኔሮ: ኣብ ዝርከብ ጉዋራቲባ ዝተብሃለ ሰፈር፣ በዓል ቤታንዓመታት ኣሲርዋ ጸኒሑ። እቲ ንዘመናት ኣብ ልዕሊ በዓልቲ ቤቱ በደል ዝፈጸመ ሰብኣይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ይርከብ። እታ ብራዚላዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ንኣስታት 17 ዓመታት ዘጋጠመ ግህሰት ድሕሪ ምዝራባ ኣብ መላእ እታ ሃገር ህዝባዊ ቁጥዐ ተዓዒሉ ኣሎ። ብመሰረት ማዕከናት ዜና ብራዚል፡ እቲ ሰብኣይ ነታ በዓልቲ ቤቱ \"ካብዚ ገዛ ዝወጽእ ሬሳኺ ጥራይ'ዩ\" ኢሉ የፈራርሓ ነይሩ። G1 ዝተብሃለ ማዕኸን ዜና ፡ ሉዊዝ ኣንቶንዮ ሳንቶስ ሲልቫ ዝተባህለ ውልቀሰብ ነቲ ተግባር ከምዝፈጸመ ሓቢሩ። እዞ ምሰባት ብሓዳር ተጣሚሮም 23 ዓመታት ኣቑጺሮም ኣለዉ። እታ ብራዚላዊት ኣደ ድሕሪ ሓራ ምውጽኣ ከም ዝበለቶ፡ ንሳንደቃን መግቢ ከይጠዓሙ ንሰለስተ መዓልቲ ዝጸንሕሉ እዋናት ነይሩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ምስቶም ደቃ ሰፊሕ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን መህሰይቲ በጺሕዎም እዩ። እቲ ዝተኣስሩሉ ገዛ ብርሃን ዘይኣትዎ ጸልማትን ረሳሕን እዩ ነይሩ። እቶም ደቂ 19ን 22ን ዓመት ቆልዑት ተኣሲሮም ዝተረኽቡ ዀይኖም፡ ሰብነቶም ኣዝዩ ተሃስዩ እዩ ዝረአ። ብራዚላዊ ጋዜጣ 'ኦ ዲያ' ንሓለቓ ምክልኻል እታ ሃገር ዊልያም ኦሊቨራ ብምጥቃስ፡ እቶም ቆልዑ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዝተረኽበሉ እዋን፡ ሰብነቶም ኣዝዩ ተሃስዩ፡ መንእሰያት ዘይኮኑስ ህጻናት መሲሎም ይረአዩ ምንባሮም ጸብጺቡ። \"ምስ ረኣናዮም፡ንሓደ ሰሙን ብህይወት ዝጸንሑ'ውን ኣይመሰለናን ነይሩ\" ኢሉ። እታ ኣደን እቶም ክልተ ቆልዑን፡ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱን፡ ብሰንኪ ሕጽረት መግብን ማይን ንሕማም ከምዝተቓልዑ ተገሊጹ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ ብራዚል፡ እታ ኣደን ምስ ደቃ ን17 ዓመታት ብኸመይ ንክንድዚ ዝኣክል ግዜ ክትእሰር ከምዝኸኣለት፡ ይምርምር ከምዘሎ ኣፍሊጡ።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1yg8zg748o"} {"headline":"ብሰንኪ ዋሕዲ ማይ ኣብ ዒላታት ዝዳፍኡ ህንዳዉያን","content":"ኣብ ህንዲ ግዝኣት ማሃራሺትራ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ዋሕዲ ማይ ስለዘጋጥሞም ኣብ ዒላታት ክዳፍኡ ልሙድ እዩ። ኣብተን ምምሕዳር እቲ ከባቢ ዘከፋፍለን ማይ ከኣ እቶም ጉልበተኛታት ተዳፊኦም ስለዝወስድዎ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታትን ኣንስትን ኣመና ከምዝተጸገሙ ይግለጽ።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyx3knx432go"} {"headline":"በዓልቲ ቤቱ ንዝነበረት 'ብሎገር'፡ ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ እንከላ ብሓዊ ዘቃጸለ ቻይናዊ፡ ብሞት ተቐጺዑ","content":"በዓልቲ ቤቱ ንዝነበረት 'ብሎገር'፡ ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ቪድዮ እንከላ ብሓዊ ኣቃጺሉ ዝቐተለ ቻይናዊ፡ ብሞት ተቐጺዑ። እታ ላሙ ብዝብል ስም ትፍለጥ ግዳይ፡ ኣብቲ 'ዲወዩን' ዝበሃለ ቻይናውያን ዝጥቐምሉ ዓይነት ቲክቶክ ኣዝያ ፍልጥቲ ዝነበረት ውልቀ ሰብ’ያ። ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቍጸሩ ሰዓብቲ ከምዝነበርዋ’ውን ይፍለጥ። እቲ ኣብ ልዕሊ ላሙ ዝተፈጸመ ኣሰቃቒ ቅትለት፡ ኣብ ልዕሊ ቻይናውያን ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም መጥቃዕቲታት ኣቓልቦ ንኽረክብ ኣኽኢልዎ’ዩ። ሓደ ኣብ ቻይና ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ሓደ ርብዒ ካብ ቻይናውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ገዛአን በደላት ከምዝፍጸመን የርኢ። ኣደ ክልተ ውሉዳት ዝነበረት ላሙ፡ ምስ ቀታሊኣ ኣብ ሓዳር ኣብ ዝነበሩሉ፡ ነቲ በዓልቤታ ዘውርደላ ዝነበረ በደላት ናብ ፖሊስ’ኳ እንተ ኣመልከተት፡ ጉዳይ ስድራ እዩ እናተባህለ ጥርዓና ብተደጋጋሚ ይንጸግ ነይሩ’ዩ። እቲ ታንግ ሉ ዝተበሃለ በዓል ቤታ ነበርን ቀታሊኣን፡ ንሞት ኣብ ዝተፈረደሉ፡ ቤት ፍርዲ፡ እቲ ዝፈጸሞ ገበን “ኣዝዩ ጭካነ ዘለዎን ኣዝዩ ኣሰቓቕን” ምዃኑ ብምግላጽ’ዩ ብሞት ክቕጻዕ ወሲኑ። ቤት ፍርዲ፡ ክልቲኦም ኣብ ሰነ 2020 ከም ዝተፋትሑ፡ ኣብ ልዕሊኣ በደላት ይፍጽም ምንባሩን ኣመልኪቱ። ድሕሪ ፍትሖም ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣቢሉ፡ ላሙ ኣብ መንበሪ ገዛ ኣቦኣ እንከላ በንዚን ኣብ ዝባና ብምኽዓው ብሓዊ ኣቃጺልዋ። 90 ሚእታዊት ኣካላታ በቲ ሓደጋ ስለዝተሃስየ፡ ንኽልተ ሳምንታት ኣብ ሆስፒታል ክንክን ተገይሩላ ክትድሕን ግን ኣይከኣለትን። እቲ ጉዳይ ኣብ መላእ ቻይና ቍጠዐ ከለዓዕል እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም በደላት ግቡእ ኣቓልቦ ንኽውሃቦ ድርኺት ክፈጥር ክኢሉ እዩ። ኣሽሓት ስዓብቲ ላሙ፡ ኣብቲ ዳውዩን ዝበሃል ማሕበራዊ ሜድያ ሓዘኖም ገሊጾም። ቻይና ኣብ 2016 ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ በደላት፡ ገበን’ዩ ኢላ’ኳ እንተደንገገት፡ ኣብ ገጠራት ቻይና ግን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም በደላት ገና ብስፍሓት ይዝውተር ምህላው ይፍለጥ።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c875jpy3vkno"} {"headline":"ዕንጸይቲ ተሰኪሙ ንኣዲኡ ክብሪ ዝሃበ ኢትዮጲያዊ፡ ገዛን ስራሕን ረኺቡ","content":"ኤፍሬም በለጠ ዝተባህለ ኢትዮጲያዊ መንእሰይ፡ ኣብ መዓልቲ መመረቕታኡ፡ ነታ ዕንጸይቲ እናሸጠት ንኸተዕብዮ ብዙሕ ዝተሸገረት ኣደኡ፡ ንጻዕራ ክብሪ ንምሃብ፡ ክዳን ምረቓኡ ንዓኣ ኣልቢሱ፡ ንባዕሉ ዕንጸይቲ ክሽከም ተራእዩ። ብዝገበሮ ፍሉይ ተግባር ኣቓልቦ ስሒቡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከዛርብ ዝቐነየ መንእሰይ ኤፍሬም፡ ዕድል ስራሕን ክልተ መደቀሲ ዝኽፍሉ መንበሪ ገዛን ተበርኪትሉ። ካብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ብኮምፒተር ሳይንስ ዝተመረቐ ኤፍሬም በለጠ፡ ኣብ ልዕሊ ኣደኡ ዘለዎ ክብሪ ንምርኣይ ዝወሰዶ ተበግሶ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ብዙሕ ሰብ ክዘራረበሉ ተራእዩ። ኤፍሬም ምስ ተመረቐ፡ ብቐጥታ መመረቒ ክዳኑ - ጋውን - ብምውጻእ ንኣደኡ ኣልቢሱዋ፤ ነቲ ተሸኪማቶ ዝነበረት ዕንጨይቲ ተቐቢልዋ። እዚ ምስ ገበረ ኣደኡ ክትነብዕ’ያ ተራእያ። ኤፍሬም ነቲ ንብዓት ኣደኡ፡ “ንብዓት ሓጐስ’ዩ” ብምባል’ዩ ገሊጽዎ። ኣስዒቡ፡ “እዚ፡ ነቲ ጸዕሪ ኣደይ ዋጋ ንምሃብ ዝገበርክዎ’ዩ፡ እዚ ናተይ ህይወት ከኣ ናይ ሚልዮናት ኢትዮጵያውያን ህይወት’ዩ” ኢሉ። ኤፍሬም፡ ትማሊ ሰኑይ ካብ ኤጄንሲ ጸጥታ መርበብ ሓበሬታ ኢትዮጵያ [ኢንሳ] ዕድል ስራሕ’ኳ እንተቐረበሉ፡ ንሱ ግን፡ ንመንእሰያት ኢትዮጵያ ክጠቅም ዝኽእል ካልእ ሓሳብ ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ ነቲ ዕድል ስራሕ ኣይተቐበሎን። ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣዳነች ኣበቤ ብወገና ንኣደ ኤፍሬም ስራሕ ክትህባ እንከላ፡ ነቶም ስድራ ዝኸውን ክልተ መደቀሲኡ መንበሪ ገዛ ኣበርኪታትሎም። ኤፍሬም፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣደኡ ዘለዎ ክብሪ ንምግላጽ ዝገበሮ ተግባር፡ ንብዙሓት መንስእሰያት ኢትዮጵያ ትምህርቲ ክኸውን ከምዝኽእል'ዩ ዝገልጽ።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4n3lgj34x1o"} {"headline":"ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንኻልኣይ ጊዜ ብዋና ዳይሬክተርነት ተመሪፁ","content":"ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንኻልኣይ እብረ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኮይኑ ተመሪፁ። ኣብቲ እንኮ ሕፁይ ኮይኑ ኣብ ዝቐረበሉ መረጻ፡ ንኻልኣይ ዙር ነቲ ትካል ክመርሖ ምዃኑ ዝተፈለጠ ጀኔቫ ኣብ ዝተኻየደ መበል 75 ሓፈሻዊ ጉባኤ'ዩ። ድሕሪ ምፍፃም ቃለ-መሓላ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ፡ ነተን ብሕፁይነት ክቐርብ ድምፂ ዝሃብኦ ሃገራት ምስጋና ኣቕሪቡ። ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ነቲ ዓለማዊ ትካል ሕቡራት ሃገራት ክመርሕ ዝጸንሐ ዶክተር ቴድሮስ፡ ለበዳ ኮቪድ 19 ከምኡ ድማ ካብ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዝቐርበሉ ዝነበረ ነቐፌታ ንግዜ ስልጣኑ ዝተፈታተኑ ምንባሮም ይግለፅ። ትራምፕ \"ኣብ ጉዳይ ኮሮና ምስ ቻይና ወጊንካለኻ\" ዝብል ነቐፌታታት የስምዕ ምንባሩ ይዝከር። ብኣንፃሩ ድማ ነቲ ዓለማዊ ለበዳ ኣብ ምልክኻል ብዝገበሮ ዝለዓለ ፃዕሪ ናእዳታት ክቐርበሉ ተሰሚዑ። ንኻልኣይ ዙር መረፃ ምስተዓወተ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ \"ኣባይ ንዘለኩም ምትእምማንን ንዝሓብኩምኒ ሓላፍነትን ኣመስግን\" ኢሉ። ካብ ዝመፅእ ዘሎ ወርሒ ሰነ 2022 ጀሚሩ ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ብዋና ዳይሬክተርነት ነቲ ዓለምለኻዊ ትካል ክመርሖ'ዩ። እንታይ በለ? ንስምዒቱ ብቓላት ክገልፆ ከምዝጽገም ዝሓበረ ዶክተር \"ብኣይ ስለዝተኣማመንኩምን ኣባይ እምነት ስለዘሕደርኩምን ብጣዕሚ አመስግን\" ኢሉ'ሎ። ገና ሕፁይ ኮይኑ ካብ ዝቐረበሉ እዋን ሃገራት ድጋፈን ከምዝገለፃሉ ብምዝኽኻር ድማ ንሱን መሳርሕቱን ነቶም ዘጓንፍዎም ዝነበሩ ብድሆታት ብኸመይ ከምዝሰገርዎም ካብ ሰባት ሕቶታት ከምዝቐርበሉ ሓቢሩ። ገለ ሰባት \"ቴድሮስ ኣብ ፀቕጢ ኢኻ ነይርካ። ኩሉኹም ኣባላት ውድብ ጥዕና ዓለም። ንልዕሊ ክልተ ዓመት ከቢድ እዋን እዩ ነይሩ። ካብኡ ድማ ከቢድ ነቐፌታን መጥቃዕትን ካብ ብዙሓት ኣካላት ይቐርበልካ ነይሩ። ብኸመይ ክኢልካዮ? ምናልባት መብዛሕትኹም ረጉድ ቆርበት ኣለኩም ማለት እዩ\" ከምዝበልዎ ጠቒሱ። ናቱ መልሲ ድማ ክንዲ ድላዩ ረጉድ ቆርበት ይሃልኻ ናብ ውሽጢ ክሰርፅ ይኽእል እዩ። ተረጋጊዕና ክንሰርሕ ዝኸኣልና ግና፡ ነቐፌታ ኮነ ፀርፊ እንትመፅእ ኣብቲ ሰብ እንተይኮነስ ኣብቲ መልእኽቲ ስለነትኩር እዩ\" ዝብል ምንባሩ ኣረዲኡ። እቲ ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ህወሓት ዝነበረ፡ ዶክተር ቴድሮስ ካብ 2012 ክሳብ 2016 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብምዃን ከምዘገልገለ ይፍለጥ። ብተወሳኺ ድማ ኣብታ ሃገር ብሚንስተርነት ጥዕና ሰሪሑ ነይሩ። ኣብዚ ሓላፍነት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክሰፍሕን ሞት ህፃናትን ኣዴታትን ክንክይን ከምዝኸኣለ ይጥቀስ። ኲናት ትግራይ ብድሕሪ ምውልዑ \"ንህወሓት ትድግፍ ኢኻ\" ብዝብል ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ክስታት ክቐርበሉ ይስማዕ። ንሱ ብወገኑ፡ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዕፅዋን ከበባን ብምፍፃም ሰባት ንሞትን ሕማምን ክቃልዑ ከምዝገበሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ክገልጽ ምጽንሑ ይፍለጥ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ቅድም ክብል፡ ናብ ላዕለዋይ ቦርድ ውደብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝልኣኾ ናይ ጥርዓን ደብዳበ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ብሰንኪ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዘይሻራውነቱ ኣብ ምልክት ሕቶ ይኣቱ ክብል'ውን እንትኸስስ መንግስቲ ኤርትራ ድማ \"መዝነቱ ብዘይ ኣግባብ ይጥቀመሉ ኣሎ\" ኢሉ ነይሩ። እንተኾነ ድጋፎም ንዶክተር ቴድሮስ ዘርኣዩ መራሕቲ ሃገራት ዓለም ቁፅሮም ቀሊል ኣይነበረን። ፕረዚደንት ናሚብያ ሃጌ ጄኒግቦ፡ \"ዓለም ሓድነት ኣብ እትጠልበሉ እዋን ኣርአያ ዝኾነ መራሒ\" ክብል ንዶ\/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንኢድዎ ነይሩ።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61570125"} {"headline":"ከኒና ምንጻል ጥንሲ፡ ሓድሽ ግንባር ንመሰል ምንጻል","content":"ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ መሰል ምንጻል ጥንሲ ቅድሚ ምቍራጹ፡ ብዙሓት ነቲ ውሳነ ኣብ ደገ ኰይኖም ይጽበዩ ነይሮም። ካብዚኣቶም እታ ቐንዲ ክሪስታን ሃውኪንስ እያ። ሚስ ሃውኪንስ፡ ነቲ ቤት ፍርዲ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ነቶም እኩባት ብመጕልሒ ድምጺ ኣንቢባትሎም፡ \"እቲ ቅዋም መሰል ምንጻል ጥንሲ ፈሪሱ\" በለት። እቲ ውሳነ፡ ንምንቅስቓስ ጸረ ምንጻል ጥንሲ፡ ናይ ወለዶታት ዓወት እዩ ነይሩ። ንሚስ ሃውኪንስ ግን ገና መበገሲ ጥራይ እዩ። ጕጅለ ሚስ ሃውኪንስ Students for Life of America' (ተማሃሮ ንህይወት ኣሜሪካ) ዝበሃል ማሕበር ኰይኑ፡ ሓደ ካብቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዓበይቲ ማሕበራት ጸረ ምንጻል ጥንሲ እዩ። ንሳ ንቢቢሲ፡ \"ውድብና ድሕሪ ሮይ እዩ ከም ማሕበር ተመስሪቱ\" ክትብል ገሊጻ። 'ድሕሪ ሮይ' ክትብል እንከላ ነቲ ኣብ ሰነ 1973 ኣብ ምሉእ ኣሜሪካ ንደቂ ኣንስትዮ መሰል ምንጻል ጥንሲ ዘረጋገጸ ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ማለታ እዩ። እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ መሰል ምፍራሱ እተን ዝተፈላለያ ግዝኣታት ኣሜሪካ ምንጻል ጥንሲ ዝምልከት ናይ ባዕለን ውሳነ ክውስና ዝፈቅድ እዩ። እዚ ድማ ነቲ ናይ ሚስ ሃውኪንስ ናይ መወዳእታ ሸቶ መገዲ ዝጸረገ ኰይኑ'ሎ። ከምዚ ድማ ትብል፡ \"ኣብ መላእ ኣሜሪካ ዝርከባ ኵለን ግዝኣታት ንምንጻል ጥንሲ ዘይርከብን ዘይሕሰብን ንምግባር ክግስግሳ ኢና ንደሊ፡\" ትብል። ሕጂ ሚስ ሃውኪንሰን ደገፍታን ኣብ ቅድሚኦም ሓድሽ ዕላማ ሒዞም ኣለው፤ እዚ ኸኣ ከኒና ምንጻል ጥንሲ ዝምልከት እዩ። መሰል ምንጻል ካብ ዝለዓል ኣትሒዙ ኣብ ዘለዋ መዓልትታት፡ ጠለብ እቲ መድሃኒት ኣዝዩ እናነሃረ ይርከብ። እዚ ነቲ ኣንጻር ምንጻል ጥንሲ ዝካየድ ቃልሲ ሓድሽ ግንባር ከፊትሉ ኣሎ። ትካል ምምሕዳር ምግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ (FDA) ነቲ ከኒና ምንጻል ጥንሲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 2000 እዩ ተቐቢልዎ። እዚ ክልተ ከኒና ዘለዎ ኣገባብ፡ 10 ሰሙን ኣብ ዘይሓለፎ ጥንሲ ምጥቃም ይካኣል። እቲ ቐዳማይ መድሃኒት ነቲ ጥንሲ ዘቋርጽ ኾይኑ እንቲ ኻልኣይ ድማ ንማሕጸን ጥርሑ ኽኸውን ይገበር። ኽልቲኡ ከኒና ካልኦት ሕማማት'ውን ንምሕካም የገልገል እዩ። ኣብዚ እዋን ኣብ ኣሜሪካ ብድፍኢት መድሃኒት ዝግበር ምንጻል ጥንሲ፡ እቲ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ልሙድ ዝኾነ ሜላ ምቁራጽ ጥንሲ እዩ። ካብ መጥባሕቲ ዝግበረሉ ኣማራጺ ዝሓሰረን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ተመራጺ ሜላ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ። ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ከምዝሕብርዎ እዚ ብመድሃኒት ዝግበር ምንጻል ጥንሲ 95 ሚእታዊ ውጽኢታዊ ክኸውን እንከሎ፡ ድሕረ ክትትል ዘድልየሉ ግዜ ካብ 1 ሚእታዊ ኣይዛይድን። እንተዀነ እቶም ኣንጻር ምንጻል ጥንሲ ዝቃለሱ ወፈራ ዘካይዱ ሰባት፡ እቲ \"ከሚካላዊ ምንጻል ጥንሲ\" ዝብልዎ ሜላ ውጽኢታዊ ከምዘይኮነን ሓደገኛን ምዃኑ ይገልጹ። \"እዚ መድሃኒት እዚ ጕድኣት መኻንነትን ሞትን የስዕብ እዩ፡\" ትብል ሚስ ሃውኪንስ። “ነፍሲ ወከፍ ምንጻል ጥንሲ ሓደ ህይወት ይቐትል፣ ኰይኑ ግን ኬሚካላዊ ምንጻል ጥንሲ ክልተ ህይወት እዩ ከጥፍእ፣ ንሳቶም ከኣ [እቶም ምርጫ ዘለዉ] ተሓተትቲ ክዀኑ ኣለዎም።\" ኣብ ቀረባ መዓልትታት ሓደሓደ ግዜ ምግሳስ ወይ ምስ ቀረባ ዘመዳ ብዝግበር ጾታዊ ርክብ እንተ ዘይኰይኑ፡ ምንጻል ጥንሲ እንተ ወሓደ ኣብ 10 ግዝኣታት ተኸልኪሉ እዩ። ይዅን እምበር እገዳታት ስለ ዝተኣታተወን ክሊኒካታት ምንጻል ጥንሲ ስለ ዝተዓጸዋን ጠለብ እቲ መድሃኒት ምንጻል ጥንሲ ዳርጋ ብዕጽፊ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ድሕሪ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝገበሮ ውሳነ 'ፕላን ሲ' ዝበሃል ብመድሃኒት ዝግበር ምንጻል ጥንሲ ዝድግፍ ጕጅለ፡ ኣብ ሓንቲ ቀዳመ-ሰንበት ጥራይ ኣብ ወብ ሳይቱ 311,000 በጻሕቲ ነይርዎ። መስራቲ እቲ ጕጅለ ዝኾነት ኤሚ መሪል፡ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብገምጋም ብ 50,000 በጻሕቲ ከምዝዛይድ ንቢቢሲ ገሊጻ። \"እቲ ደረት ዝተሰብረ እዩ ዝመስል፡\" ኢላ። እቶም ምርጫ ዝድግፉ ተጣበቕቲ እቲ መድሃኒት ምንጻል ጥንሲ ኣብተን እቲ መስርሕ ዝተኸልከለለን ግዝኣታት ንዝርከባ ደቀንስትዮ መድሕን ህይወት ከም ዝኸውን ይገልጹ። ከኒና ምንጻል ጥንሲ፡ እቲ መስርሕ ሕጋዊ ኣብ ዝኾነሉ ግዝኣት ንዝርከብ ሰብ ጥራይ እዩ ክእዘዝ ዘለዎ። እንተዀነ እቶም ምርጫ ዝድግፉ ጕጅለታት ኣብተን እገዳ ዝገበራ ግዝኣታት ዝሰርሕሉ ኣካይዳ ኣማዕቢሎም እዮም። ገሊኣቶም ተንቀሳቓሲ ክሊኒካት ናብ ዶባት እተን ንምንጻል ጥንሲ ዝኣገዳ ግዝኣታት ይልእኩ ኣለዉ። ገሊኣቶም ከኣ ኣብተን ንምንጻል ጥንሲ ዝእግዳ ግዝኣታት ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ከኒና ንምልኣኽ መደብ የዳልዉ ኣለዉ። ሓንቲ ካብዘን ጕጅለታት እዚኣተን \"ንምንጻል ጥንሲ ከሕግዝ እየ\" ዝብል ማልያታት ሸይጣ እያ። \"ዝዀነ ይዅን እገዳ ይሃልወና ብዘየገድስ እቲ ንምንጻል ጥንሲ ዝምልከት ከኒና ብጶስጣ ኣብ ኵለን 50 ግዝኣታት ጋህዲ ኰይኑ ክቕጽል እዩ ኢልና ኢና እንኣምን፡” ትብል ሚስ ሜሪል። መብዛሕትኦም ኣንጻር ምንጻል ጥንሲ ዝቃለሱ ተጣበቕቲ እቶም ንምንጻል ጥንሲ ዘዳልዉ እምበር እተን ኣደታት ባዕለን ክቕጽዓ ኣይደልዩን እዮም። ኣባል 'ናሽናል ራይት ቱ ላይፍስ' ዝኾነ ካሮል ቶቢያስ \"ደድሕሪ እቶም ንምንጻል ጥንሲ ዘዳልዉ ሰባት ኢና እንኸይድ\" በለ። \"ነቲ ከኒና መን ከምዘቕርቦ ክፈልጥ ይደሊ እየ፡\" ይብል። እንተዀነ ሓንቲ ሰብ ካብ ግዝኣታ ወይ ካብ ሃገራ ወጻኢ መድሃኒት ምንጻል ጥንሲ እንተ ረኺባ ክቐጻዕ ዘለዎ መን እዩ? ደሞክራስያዊ መርሓ ዘኽተላ ግዝኣታት ድሮ ክሕግዛ ጀሚረን ኣለዋ። ካሊፎርንያ፡ ኒው ዮርክ ከምኡ'ውን ኮኔክቲከት ኣብ ቀያዲ ግዝኣታት ንዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ምንጻል ጥንሲ ንኽፍጽማ ንዝሓገዙ ሓኻይም ዑቑባ ብምሃብ ካብ መቕጻዕቲ ይከላኸሉሎም ኣለዉ። ሓደ ካብቶም ቐንዲ መዳለውቲ ምንጻል ጥንሲ ዝኾነ ኤድ ኣክሰስ ከኣ ኣብ ኣውሮጳ እዩ ዝርከብ። ስለዝኾነ፡ ብሕጊ ኣሜሪካ ዝግዛእ ኣይኮነን። ኰይኑ ግና ተጣበቕቲ ምርጫ እቶም ኣንጻር ምንጻል ጥንሲ ወፈራ ዘካይዱ ሰባት እገዳታቶም ብሰፊሑ ከም ዘጸጽሙ የጠንቅቑ ኣለዉ። ዳይረክተር ምርምር ናራል ፕሮ-ቾይስ ኣመሪካ ዲና ሞንቴማራኖ፡ \"ንዝዀነ ይዅን ንምንጻል ጥንሲ ዝከናኸን ሰብ 'ዝሕግዝን ዝጥሕስን'  ብገበን ብዛዕባ ምቕጻዕ ይዛረቡ ኣለዉ\" ትብል። \"እቲ ካብ ግዝኣት ወጻኢ ምንጻል ጥንሲ ንኽፍጽሙ ኢሉ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝወስዶም መራሕ ማኪና ኡበር ድዩ? እቲ ንምህዳም ዝሕግዞም ዓርኮም ድዩ?\" “ነዛ ሕቶ እዚኣ ዕሽሽ ይብልዋ ኣለዉ፡\" ኢላ። ብግዝኣታት ዝፍጸም እገዳታት  ከኒና ምንጻል ጥንሲ እውን፡ ሕጋዊ ዕንቅፋታት ከጋጥሞ ይኽእል እዩ። ዓርቢ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንጸሓፊ ጥዕናኡ \"ብከኒና ንዝፍጸም ምንጻል ጥንሲ ክከላኸል\" ዝእዝዝ ፈጻሚ ትእዛዝ ኣውጺኡ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ኣሜሪካ ሜሪክ ጋርላንድ ግዝኣታት ነቲ ትካል ምምሕዳር ምግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ (FDA) ዘጽደቘ መድሃኒት ክእግዳ ከምዘይክእላ ገሊጹ ነይሩ። ሚስ ሃውኪንስ፡ ከኒና ምንጻል ጥንሲ ሓደገኛ ከምዝኾነ ብምሕባር እቲ ትካል ምምሕዳር ምግብን መድሃኒትን ኣሜሪካን (FDA) ባይደንን ነቲ ከኒና ዘርኣይዎ ሓገዝ \"ምሉእ ብምሉእ ግብዝና ዝመልኦ\" ክትብል ገሊጻቶ። ጀንባዮፕሮ ዝተበሃለ ነቲ ክኒና ዝሸይጥ ኩባንያ፡ ነቲ ሚሲሲፒ ኣብ ልዕሊ እቲ መድሃኒት ዘለዋ ቀይድታት ድሮ ተቓዊሙ እዩ። ምኽንያቱ ፈደራላዊ ሕጊ ናይታ ግዝኣት፡ ሕጊ እገዳ ይቕይሮ እዩ  ዝብል እዩ። \"እዚ መፈጸምታ ኣይኰነን \" ትብል ሚስ ሜሪል። ወሲኻ እውን “ተስፋ እንተሃልዩኒ እዚ ኵነታት እዚ ዝቀያየር እዩ\" ኢላ።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c6p3mp82e9do"} {"headline":"ደቂኣንስትዮ፡ 13 ተምሃሮ ዝዓመጸ መምህር ንማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ተፈሪዱ","content":"ቤት ፍርዲ ኢንዶኔዥያ 13 ደቂ እንስትዮ ተምሃሮኡ ንዝዓመጸ መምህር፡ ብማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ክቕጻዕ ፈሪዱ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሄሪ ዊራማን ዝተባህለ መምህር፡ ካብ 11 ክሳብ 16 ዝዕድሚአን ህጻናት ከምዝዓመጸ ምስተገለጸ፡ ኢንዶኔዥያውያን ኣዝዮም ሰንቢዶም ነይሮም፡፡ ናይ ሃይማኖት መምህር'ውን ከምዝኾነ ዝተገለጸ እቲ ውልቀ ሰብ፡ ነቲ ተግባር ዓመጽ ካብ 2016 ጀሚሩ ከምዝፈጸሞ ተፈሊጡ። ንሸሞንቲአን ክጠንሳ ከለዋ፤ ብሓፈሻ 9 ቖልዑ ወሊደን፡፡ ኣኽበርቲ ሕጊ እቲ ውልቀ ሰብ ብሞት ክቕጻዕ ንቤት ፍርዲ ተማሕጺኖም ነይሮም፡፡ ብሰሉስ ዝወዓለ መጋባእያ ግና እቲ ወዲ 36 ዓመት ተኸሳሲ ብዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክቕጻዕ ወሲኑ ኣሎ፡፡ እቶም ዳያኑ ሚራዋን ብኬሚካዊ ባእታ ክስንገው [ፍረ-ነብሱ ክቕጥቀጥ] ንዝቐረበ ሕቶ እውን ነጺጎምዎ፡፡ እቲ በቲ ውልቀ ሰብ ክፍጸም ዝጸንሐ ተግባር ዓመጽ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጉንበት ስድራ ናይ ሓንቲ ካብተን ግዳያት፡ ጓሎም ከምዝጠነሰት ምስፈለጡ እዩ ተቓሊዑ፡፡ ድሕሪ እዚ፡ ቤት ፍርዲ እቲ መምህር ኣብ 2016 ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ እስልምና ካብ ዝኸፍት ጀሚሩ ዝፈጸሞም ጾታዊ ዓመጻት ፈሊጡ፡፡ መራኸብቲ ብዙሃን እቲ ከባቢ ከምዝጸብጸበኦ ዊራማን ነቶም ኣብቲ ድኻታት ዝበዝሑሉ ከባቢ ዝነበሩ መንእሰያት ነጻ ናይ ትምህርቲ ዕድልን ጥቕማ ጥቕምን እናሃበ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ክሰሓቡ ገይሩዎም'ዩ፡፡ ብተወሳኺ እተን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ቤተን ርሒቐን ስለዝነብራን ምስ ስድረአን ክራኸባ ስለዘይፍቀደለንን ነቲ በደል ተቓላዕቲ ክኾና ከምዝገበረን ኣኽበርቲ ሕጊ ገሊጾም፡፡ እተን ተምሃሮ ስልከን ዝተመንጠላ ኮይነን ኣብ ዓመት ሓደ ግዘ ጥራሕ እዩ ናብ ገዝአን ክኸዳ ዝፍቀደለን ነይሩ፡፡ እቲ ውልቀ ሰብ ብሞት ክቕጻዕን ንግዳያት 300 ሚልዮን ሩፐያህ (21 ሽሕ ዶላር) ክኸፍልን ኣኽበርቲ ሕጊ ጸዊዖም ነይሮም፡፡ ጉዳይ ዊራዋን ኣብ ኢንዶኔዥያ ብዛዕባ ዘሎ መጠን ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ሓድሽ ቁጠዐ ዘልዓለ ኮይኑ፡ ዜጋታት ንጾታዊ ዓመጽ ከጥፍእ ዝኽእል ተሪር ሕጊ ክወጽእ ይሓቱ ኣለዉ፡፡ መንግስቲ ኢንዶኔዥያ ነተን ግዳያት ሓድሕደን 85 ሚልዮን ሩፕያህ ( 5945 ዶላር) ካሕሳ ክኸፍል እዩ፡፡","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60393852"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ትግራይ ዝበጽሐን ዘሎ ማሕበረሰባዊ ተነጽሎ","content":"መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እዋን ኲናት ደቂ ኣንስትዮ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽን ኣደዳ ሞትን ከምዝኾና ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ። እቲ ብ4 ሕዳር 2020 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ትግራይ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ሓይልታት ትግራይን ዝተወልዐ ጎንጺ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ'ዩ። ኣብዚ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝልሓመን ንልዕሊ 15 ኣዋርሕ ዝቐጸለን ኲናት ድማ ኣሽሓት ክቕተሉ እንከለው ኣማኢት ኣሽሓት ኣብ ኩነታት ዓጸቦ ይርከቡ። ብተወሳኺ ኣብቲ ውግእ፡ ገበን ኣንጻር ኲናትን ኣንጻር ሰብኣውነትን ክብሃሉ ዝኽእሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክፍጸሙ እንከለው፡ ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዘስካሕክሕ ጾታዊ ዓመጻት ከም ዝተፈጸሙ ጸብጻባት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የመልክቱ። ጸጋ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ዓ.ም ኣብ ትግራይ ጾታዊ ዓመጽ ካብ ሞንጎ ዝበጽሐን ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ እያ። ምስ ክልተ ደቃን በዓል ቤታን ኣብ ሰሜን ምዕራብ ከተማ ሸራሮ ትቕመጥ ዝነበረት ጸጋ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ምጅማር እቲ ኲናት ብሰንኪ መንሽሮ ጡብ መጥባሕቲ ገይራ ሕክምና ናብዮት ይግበረላ ነይሩ። እቲ ኲናት ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ክጅመር እንከሎ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ብዝተፈላለየ ኣንፈት ዝትኮስ ከቢድ ብረትን ካልእን ምስ በርትዐ ለኪሙዎ ክሓልፍ ዝኽእል ሞት ሰጊኦም ካብ ቤት ንብረቶም ዝወጽኡ ሰባት ንሳ'ውን ንኣሽቱ ቖልዑት ደቃ ሒዛ ናብ ዝባን ገደና ተመዛቢላ። ኣብቲ ቦታ ንሓደ ወርሒ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንቖልዑ እኽለ ማይ ክትረክብ ኢላ ኣብ ዝተንቐሰትሉ እዋን ግራት ረዳ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ወተሃደራት ኤርትራ ከም ዝረኸቡዋን ብጉጅለ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዘብጽሑላን ንቢቢሲ ተዛሪባ። \"ካብቶም ደቀይ ሒዘ ኣብ መገዲ ዝረኸቡኒ ወተሃደራት እቲ ሓደ 'ወያነ ኣበይ ኣለው ኢሉኒ፤ ኣነስ ንባዕለይ ካብቲ ኲናት እየ ዝሃድም ዘለኹ ምስ በልኩዎ ሓሲኺ ግጉይ ሓበሬታ ሂብክና ኢሎም ሒዞምኒ። ደፊኦም ናብ መሬት ምስ ኣውደቑኒ ድማ ከብደይ ረጊጾምዎ። ጡበይ ክኣ ሓድሽ ስፋይ ስለ ዝነበረ ደምየ፤ ድሕሪኡ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝነበረ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ወሲዶም ብጉጅለ ዓሚጾምኒ\" ትብል። ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ተቕርቦም ኣብ ዝነበረት ጸብጻባት ኣብቲ ኲናት ዝምታ፣ ግዱድ ምምዝባል፣ ማእሰርቲ፣ ጾታዊ ዓመጽን ቕትለትን ከም ዝተፈጸመ ዘረጋግጹ እሙናት ጸብጻባት ይበጽሑና ኣለው ክትብል ተዛሪባ እያ። ኣምባሳደር ቶማስ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል \"ሕጂ'ውን እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ህጹጽ እዩ፤ ብቐረባ ድማ ንከታተሎ ኣሎና - ብቐንዱ ጾታዊ ዓመጽ። ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ኣካላት ኣዝዩ ዘሰክፍን ዘፍርሕን ጾታዊ ዓመጻት ፈጺሞም'ዮም። እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈጸሙ ግህሰታትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ፍጹም ተቐባልነት የብሎምን\" ኢላ። ኣብ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ ሕዳር 2021 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብሓባር ዘካየዱዎ መርመራ ዝኣከቡዎ ሓበሬታ፡ ዘይሕጋዊ ቕትለትን ጃምላዊ ቕትለትን፣ ምስቓይ፣ ጾታውን ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽን ሓዊሱ ከበድቲ ዝርዝራት ግህሰታትን መጥቃዕታትን ግህሰት ስደተኛታትን ከምኡ'ውን ግዱድ ምፍንቓል ሰላማውያን ሰባት ዝሓዘ እዩ ይብል። ኩሎም ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተሳተፉ ኣካላት ግህሰት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸሙ ብምግላጽ ገሊኦም ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም ክብል እቲ ጸብጻብ ገሊጹ። ኣብቲ እዋን፡ ብሽም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣቢሉ ዝወጽአ ምላሽ \"ገለ ዘይንቕበሎ ክፋል'ኳአ እንተሃለወ፡ ኣብ ቀጻሊ ንዝተበደሉ ፍትሒ ክረኽቡን ገበነኛታት ተሓተትቲ ንምግባርን ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ እቲ ጸብጻብ ኣዝዩ ጠቓሚ ሰነድ ኮይኑ ከገልግል እዩ\" ምባሉ ይዝከር። መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ዘይሻራዊነትን ሕጋውነትን ናይቲ መጽናዕቲ ኣብ ምልክት ሕቶ ብምእታው፡ እቲ ጸብጻብ \"ተቐባልነት የብሉን\" ክትብል ተቓዊምዎ። መራሕቲ ትግራይ'ውን 'ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ወጻኢ ትግራይ' ብዝብል ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ እቲ ጸብጻብ ጸገማት ዘለዎ'ዩ ብምባል ስክፍትኦም ገሊጾም ነይሮም። ብሰኑይ ድማ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝፈጸሞም ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ክሪኦም ይግባእ ብዝብል ክሲ ናብቲ ኮሚሽን ኣቐሪቡ ኣሎ። እዚ፡ Legal Action Worldwide (Law)፣ US legal firm Debevoise ከምኡ'ውን Plimpton and the Pan African Lawyers Union (Palu) ዝተባህሉ ሰለስተ ትካላት ሕጊ ዘቕረቡዎ ኮይኑ፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ክልል ትግራይ ገበን ኲናት ፈጺሙ'ዩ ብምባል እቲ ኮሚሽን ንፈለማ እዋን እቲ ጉዳይ ንክሪኦ ዘገድድ ክሲ ኣእቲዮም ኣለው። ዋና ፈጻሚ ስራሕ ፓሉ ዶናልድ ዴያ መንግስቲ ኢትዮጵያ \"ብመሰረት ሕገ መንግስቲ እታ ሃገርን ዓለምለኻዊ ሕጋጋትን ኩሎም ዜጋታትን ነበርትን ካብ ጃምላዊ ግፍዕታትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ክሕሉ ይግደድ። እዚ ንክገብር እንተዘይክኢሉ ወይ እንተዘይደልዩ ግን - ከምቲ ንርእዮ ዘለና- ብቑዓት ዝኾነ ዓለምለኻዊ ትካላት ከድልየና እዩ። ስለዝኾነ ድማ ንኮሚሽን ኣፍሪቃ ጻውዒትና ነቕርብ\" ምባሉ ኣብቲ ደብዳበ ሰፊሩ ኣሎ። እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ እቲ ኮሚሽን ኣብዚ ጉዳይ ክሳብ ሕጂ ዝሃቡዎ ርኢይቶ የለን። ነዞም ሰብ ሞያ ሕጊ ናይ ቃል ምስክርነት ሂቦም ዝተባህሉ ሰባት ድማ ሰራዊት ፌደራል \"ኣብ ትግራይ ዘካየዶ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ እንተበሎ'ውን ብሕዳር 2020 ኣብ ከተማ ሽረ ወተሃደራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፈጸሙዎ ቕትለትን ጾታዊ ዓመጽን ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእን መሰረተ ልምዓት ንምዕናውን እዩ\" ኢሎም። ካብዞም ኣካላት ሕጊ ሓደ ንዝኾነ 'ሌጋል ኣክሽን ወርልድ ዋይድ' ተቐማጢት ኣውስትራሊያ ዝኾነት ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት ፋናዬ ሰለሞን፡ ብዙሓት ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ምስክርነተን ከም ዝሃባ ብምግላጽ ኣዝዮም ዘሰክፉ ታሪኻት ከም ዝቐረቡ ንቢቢሲ ገሊጻ። \"ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ተዓሚጸን፣ ኣጸጋሚ ዝኾነ መጥቃዕቲ በጺሑወንን ተሳቕየንን እየን። ኣብ ኣካላተን ብዙሕ ጉድኣት ተፈጢሩ'ዩ። ኣብ ገዝኣ ኣብ ቅድሚ ኣቡኣ ብሰለስተ ወተሃደራት ዝተዓመጸት ናብ ዋንስቶፕ ሴንተር መቐለ መጺኣ እያ። ኣብ ካምፕ ወተሃደራት ንመዓልታት ተታሒዘን ብጉጅለ ዝተዓመጻ ኣለዋ። ጓል 50 ዓመት ሰበይቲ'ውን ን5ተ መዓልቲ ተኣሲራ ተዓሚጻን ተገዲዳ ሽንታ ሰትያን እያ። ነዚ ኹሉ ተሓታትነት ክርከቦ ኢና ክሲ ንምስርተሉ ዘለና\" ኢላ። ጸጋ፡ ሓንቲ ካብቶም ብሰንኪ ኲናት ዝተመዛበሉን ኣብ ጎረቤት ሃገር ዝርከቡን ልዕሊ 60 ሽሕ ስደኛታት እያ። \"ብሰንኪ እዚ ኲናት ብዙሕ ነገር ተፈጢሩ'ዩ። ጾታዊ ዓመጽ ጥራይ ዘይኮነ ስነ ልቦናዊ ሃሰያ'ውን እዩ ገጢሙና። ኣምላኽ ንደቀይ ክብል ህይወተይ ኣትሪፉዋ እምበር ካልኦት ምስ ተዓመጻ ተቐቲለን እየን\" ትብል። ኣብ ዝሓለፈ ቐዳመ ሰናብቲ ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ምብጻሕ ዝገበረት ምኽትል ዋና ጸሓፊት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣሚና መሓመድ እቲ ኲናት ኣብተን ክልላት ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዘስዓቦ ጉድኣት ከም ዝተዓዘበት ገሊጻ እያ። እታ ጸሓፊት ኣብ ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ኣብ ዝነበራ ዑደት ግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝርከባሎም ማእከላት ክትዕዘብ እንከላ እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘብጽሖ ግፍዕን በደልን ከምኡ'ውን ስነ ልቦናዊ ጉድኣት ንምቕራፍ እቲ ውድብ መፍትሒ ከም ዝእልሽን ሓገዝ ከም ዝገብርን ተዛሪባ። \"ኣብ ውሽጢ ጎንጺ ዝዕወት የለን\" ዝበለት ኣሚና ታሪኽ እተን ግዳያት ክዝረብ ከም ዝግባእን ሰላም ብሕታዊ ኣማራጺ ብምዃኑ \"ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰላም ንክረክብ ክንሕግዝ ኣለና\" ኢላ። ኣምባሳደር ቶማስ ግሪንፊልድ ብወገና ብቐንዱ እተን ከም ጸጋ ዝበላ ሓገዝ ዘድልየን ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ንምሕጋዝ ምቁራጽ ተጻብኦ ክግበር ከም ዘለዎ ተስምረሉ። \"እዚ ንምዕዋት ብዙሕ ጻዕሪ ከም ዘሎ ይፈልጥ'የ። እቲ ዋና ጸሓፊ ምስ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ተዘራሪቡ'ዩ፤ እሱራት ፖለቲካ ምፍትሖም ንንእድ፤ ብሸነኽ ትግራይ እውን ምቁራጽ ተጻብኦ ክግበርን ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱን ምስምምዖም ንንእድ። እንተኾነ ሕጂ'ውን ኩሎም ወገናት ናብ ስምምዕ ክመጽኡ ጸቕጢ ክንገብር ኢና\" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ። ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ኣካላውን ስነ ልቦናውን ሓገዝ ክረኽባ ዘይክኣላ ኣብ ውሽጢ እቲ ክልልን ካብቲ ክልል ወጻኢ ዘለዋን ከም ጸጋ ዝበላ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ግን ሕጂ'ውን ሳዕቤናት እቲ በደል እየን ዝነብራ ዘለዋ። \". . . አረ ናቱስ ብጣዕሚ እዩ ከቢድ፤ ክሳብ ሕጂ ዝረኸብኩዎ ስነ ልቦና ሓገዝ የለን። [እቶም ዓመጽተይ] ዓመት ሙሉእ ብሕልመይ ይመጽኡኒ፤ ክስሕቑ ከለው ይርኣዩኒ። ሕጂ ተጋሩ ዲያስፖራ ሓጊዞምኒ ኣብ ካርቱም ናይ መንሽሮ ሕክምናዊ ይረክብ ኣለኹ፤ ግን ማህጸነይ ክሕከም ይደሊ እየ። ሕቖይን እግረይን ስለ ዝሕመኒ ንብዙሕ ሰዓት ከፍ ክብል ኣይኽእልን\" ትብል። ብቐንዱ ግን ናብ ሕብረተሰብ ክትጽምበር ናይ ምስካፍ ዝንባለታት እዩ ዘስግኣ። ቅድም ኢሉ ኣብ መዓስከር ቱናይድባህ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን መብዛሕትአን ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ፡ ካብቲ ካልእ ክፋል ሕብረሰተብ ክበጽሐን ንዝኽእል ተነጽሎ ሰጊአን ከም ዝሓብአኦ ትዛረብ። ንሳ፡ ክሳብ ሕጂ ድሃይ ሰብኣያ ዘይትፈልጥ እኳ እንተኾነት፡ ብሰንኪ እቲ ዝበጽሓ ጾታዊ ዓመጽ ግን \"ድሕሪ ሕጂ ሰብኣየይ ይደልየኒ'ዩ ዝብል ግምት የብለይን። ክጽየፈኒ እዩ ዝብል ስክፍታ ስለ ዘለኒ ናብኡ ክምለስ ኣይደልን\" እያ ትብል። ተሓላቒት መሰላት ፋናዬ ሰለሞን ኣብ ትግራይ እዚ ጸገም ድሮ ክርኣይ ከም ዝጀመረን ዓብዪ ሻቕሎም ከም ዝፈጠረላን እያ ትገልጽ። ኣብቲ ክልል ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝርከቦም መሰረታዊ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ብዘይምህላዎም መብዛሕትን ናብ ትካላት ጥዕና ክመጽኣ ከም ዘይክኣለ ብምጥቃስ፡ ንዝተፈላለዩ ስነ ልቦናውን ማሕበራውን ቅልውላዋት ክቃልዓ ከም ዝጀመራ ተረድእ። እቲ ሕብረተሰብ ብባህላዊ ኣረኣእያታት ዝተቖረነ ስለ ዝኾነ ንከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ከም ነውሪ ስለ ዝርእዮ እተን ግዳያት ዘጋጠመን ጸገም ካልእ ሰብ ክፈልጠለን ስለ ዘይደልያ ዳርጋ ተሓቢአንን ተነጺለን እየን ይነብራ ከም ዘለዋን እቲ ማሕበሰረብ ዝገበሮ ሓገዝ ድማ ከምቲ ትጽቢት ዝገበረትሉ ዘይምዃኑ ጠቒሳ። \"ብዙሕ ጸገም እዩ ዘለወን፤ እቲ ሕብረተሰብ ኣይቕበለናን ኢለን ባዕለን ኣግሊለን ክሕወሳ ስለ ዘይደልያ ብዝፍጠር ዘሎ ስነ ልቦናዊ ጸቕጥን ማሕበረሰባዊ ተነጽሎን ክሳብ ዓርስኻ ምጥፋእ ዝበጽሕ ጸገማት ኣሎ። ሕጂ ድማ ቖልዑ ይውለዱ ኣለው፤ ግን ተዓሚጸን ዝወለድኦም ስለ ዝኾኑ ነዚኦም ክሕብሕባ ስለ ዘይደልያ ኣብ በብቦትኡን ኣብ ሆስፒታልን ገዲፈንኦም ይኸዳ ኣለዋ\" ኢላ። ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ክልል ዘሎ ማሕበራውን ቁጠባውን ቅልውላው ነቲ ኩነታት ተቐቢልና ናይ ምሕጋዝ ዓቕሚ ዝነኣሰ ምዃኑ ዝገለጸት ፋናዬ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ትካላት ሃይማኖት ነቲ ሕብረተሰብ ናይ ምርዳእ ስራሕቲ ይሰርሑ ስለ ዘለው ዝሓሸ ነገር ክርኣይ ይኽእል እዩ ዝብል ተስፋ ትገብር። \"መፍትሒ ንክመጽእ እቲ ዕጽዋ ክለዓል ኣለዎ፤ ረድኤት ኮነ ንሕና ኣቲና ንክትሕግዘን መገዲ ክኽፈተልና ኣለዎ። ሰብ ክኣቱን ክወጽእን እንተዘይክኢሉ ግን እቲ ጸገም ዓብዪ እዩ። ካብዚ ንላዕሊ ጸገም ክመጽእ ይኽእል እዩ\" ክትብል ዘለዋ ስግኣት ገሊጻ። ኣብተን ግጭት ዝካየደለን ዘሎ ክልላት ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ክትዕዘብ ዝቐነየት ምክትል ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣሚና መሓመድ ትማሊ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ዝርርብ ይቕጽል ከም ዘሎ ሓቢራ እያ። ብዛዕባ'ቲ ክሳብ ሕጂ ዘይሃድአ ዘሎ ግጭት ክትዛረብ እንከላ፡ \"ብርግጽ ካብቲ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ዝነበረ ግጭታት ዝወሓደ'ዩ። ኣብዚ እዋን'ዚ ብርግጽ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ኢና ዘለና\" ክትብል ብዛዕባ'ቲ ዝግበር ዘሎ ድርድር ተስፋ ከም ዘለዋ ኣሚታ ኣላ።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60284576"} {"headline":"ኣብ ትግራይ ካብ ዝኾነ ከባቢ ዓለም ዝኸፈአ ቅልውላው'ዩ ዘሎ'- ዶ\/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም","content":"ኣብዚ እዋን ካብ ዝኾነ ከባቢ ዓለም ንላዕሊ ዝኸፈአ ቅልውላው ኣብ ክልል ትግራይ ከምዘሎ፡ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ተዛሪቡ፡፡ ዶ\/ር ቴድሮስ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ‘‘ኣብዚ እዋን ካብ ዝኾነ ከባቢ ዓለም ንላዕሊ፡ ናይ ሰባት ጥዕና ኣብ ኣሻቓሊ ደረጃ ዝርከበሉ ኣብ ክልል ትግራይ እዩ’’ ኢሉ፡፡ ‘‘እወ! ኣነ ትግራዋይ እየ፡፡ እዚ ቅልውላው ንዓይ፣ ንቤተሰበይን ንመሓዙተይን ብውልቀ ይጎድአና እዩ፡፡ ኮይኑ ግና ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ከም ምዃነይ፡ ኣብ ስግኣት ንዘሎ ጥዕና ናይ ምሕላውን ምክንኻንን ሓላፍነት ኣለኒ፡፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ዝኾነ ክፋል ዓለም ንላዕሊ ኣብ ትግራይ ብሚልዮናት ናይ ዝቑጸሩ ሰባት ህይወት ኣብ ዘሻቕል ደረጃ ይርከብ’’ ኢሉ፡፡ እቲ ዳይሬክተር ጀነራል፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ቅልውላው፡ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘንበርዎ ዘይወግዓዊ ዕጽዋ ተሓታቲ ገይሩ፡፡ ዶ\/ር ቴድሮስ ኣብ መግለጺኡ፡ ከምቲ ሩስያ ምስ ዩክረይን ሰላም ክተውርድ ጽውዒት እነቕርብ ዘለና ‘‘ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘንበረኦ ወግዓዊ ዘይኮነ ዕጽዋ ከልዕላን ህይወት ንምድሓን ሰብኣዊ ሓገዝ ክበጽሕ ክፈቕዳን ጻውዒት ነቕርብ’’ ኢሉ፡፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ዕጽዋ ከምዘየንበረ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ፡፡ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ትግራይ ብወገን ዓፋር ሓገዝ ከይኣቱ ዕንቅፋት ዝኸውን ዘሎ ሓይልታት ትግራይ ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ኣሕመድ ገሊጹ ነይሩ፡፡ ‘’ 95 ሜትሪክ ቶን መድሓኒት ናብ ትግራይ ንምእታው ፍቓድ ኣይረኸብናን’’ ዶ\/ር ቴድሮስ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ዝመርሖ ትካል ውድብ ጥዕና ዓለም፡ 95 ሜትሪክ ቶን መድሓኒት ናብ ትግራይ ከእቱ ፍቓድ ከምዘይረኸበ ወሲኹ ሓቢሩ፡፡ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ትግራይ ዝርከቡ 6 ሚልዮን ሰባት ንዝሓለፉ 500 መዓልቲታት ኣብ ትሕቲ ወግዓዊ ዘይኮነ ዕጽዋ ክኾኑ ገይሮም እዮም ኢሉ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፡፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምትዕንቓፍ ፍሰት ሰብኣዊ ሓገዝ ድማ ንሓይልታት ትግራይ እዩ ተሓተትቲ ዝገብር፡፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ ካብ ዝሃለፈ ኣመት ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ኣብ'ቲ ክልል 'ዘይእዉጅ ኩለንተናዊ ዕጽዋ ተነቢሩ' ከምዘሎ ምግላጹ ዝዝከር እዩ። ‘‘ነዳዲ፣ ጥረ ገንዘብን ናይ ርክብ መስመራትን ዳርጋ ሙሉእ ንሙሉእ የለን’’ ካብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ 2014 ዓ\/ም ጀሚሩ ናብ ትግራይ ሓገዝ ምግቢ ከምዘይኣተወ ዝተዛረበ ዶ\/ር ቴድሮስ፡ ካብ ጠቕላላ ህዝቢ እቲ 83 ምኢታዊት ዝኸውን ውሕስና ምግቡ ዝተረጋገጸ ከምዘይኮነ ሓቢሩ፡፡ ብመሰረት መጽናዕቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ትግራይ ካብ ዘለዉ ትካላት ጥዕና ሲሶ ‘‘ተጎዲኦም ወይ ዓንዮም እዮም’’ ኢሉ እቲ ዋና ዳይረክተር፡፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ውድብ ጥዕና ዓለም ን 300 ሽሕ ሰባት ዝኸውን 33 ሜትሪክ ቶን መድሓኒትን ካልኦት እታወታትን ናብ ትግራይ ብነፈርቲ ከምዘብጸሐ ገሊጹ፡፡ ኣብ ዝሓፈለ ሰሙናት እውን ምስ ካልኦት መሓዙት ትካላት ብምዃን ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ 65 ትካላት ጥዕና ሓገዝ ከምዝገበረ'ውን ኣፍሊጡ፡፡ ‘‘ካብዚ ንላዕሊ ክንሰርሕ ኣለና፡፡ ተወሳኺ 95 ሜትሪክ ቶን እታወታት ጥዕና ንምልኣኽ ኣብ ምድላው ኣለና፤ ኮይኑ ግና ክሳብ ሕዚ ፍቓድ ኣይረኸብናን’’ ኢሉ፡፡ ኣብ ትግራይ ንዘሎ ጸገም ጥዕና ምላሽ ንምሃብ 2200 ሜትሪክ ቶን እታወታት ጥዕና ከምዘድሊ ዝገለጸ ዶ\/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረእየሱስ፡ ዛጊድ 117 ሜትሪክ ቶን ምቕራብ ከምዝተኽኣለ ተዛሪቡ፡፡ ኮይኑ ግና ‘‘እዚ ካብቲ ዝድለ ትሕቲ ሓደ ምኢታዊት እዩ’’ ኢሉ፡፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ናይ ነዳዲ ሕጽረት ነቲ ናብቲ ክልል ዝኣተወ መድሐኒት ናብ ዝድለየሉ ቦታ ምብጻሕ ‘‘ከቢድ ወይ ዘይከኣል ገይሩዎ\" ኢሉ እቲ ዋና ዳይሬክተር፡፡ ዶ\/ር ቴድሮስ ኣብቲ ትማሊ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ መዋሰኒ ከባቢታት ክልል ዓፋር ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት እውን ካብ እዋን ናብ እዋን እናኸፈአ ከምዝመጸአ ገሊጹ፡፡ ኣብቲ ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝተፈናቐልሉ ኩነታት ናይ ምግቢ፣ ምጽለልን ኣገልግሎት ጥዕናን ከምዘድሊ ብምሕባር እንተኾነ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት እንትነጻጸር ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብዝሓሸ ተበጻሕቲ ከምዝኾኑ ተዛሪቡ፡፡ ‘‘ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተጎድኡ እኳ እንተኾኑ ካብ ትግራይ ብዝሓሸ ክልቲኦም ክልላት ተበጻሕቲ እዮም፡፡ ‘‘ናይ ኤችኣይቪ፣ ሳንባ፣ መንሽሮን ሕሙማት ሽኮርን ሕክምና ኣይረኽቡን ዘለዉ፤ እናሞቱ ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡’’ ብምኽንያት ሕጽረት ነዳዲ መሓዙት ትካላት ውድብ ጥዕና ዓለም ዝበጽሑዎ ከባቢታት ክንክዩ ከምዘገደዶም ዝገልጽ፡ ዶ\/ር ትድሮስ ኣድሓኖም ‘‘ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ዝኸፍአ እዩ፡፡ መስመራት ርክብ ዕጹዋት ምዃኖምን ጋዜጠኛታት ኣብ ትግራይ ተረኺቦም ክጽብጽቡ ዘይምኽኣሎምን ዝተረሰዐ ኲናት ክገብሮ እዩ’’ ኢሉ፡፡","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60778471"} {"headline":"ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ውሽጢ ናብ ኣሜሪካ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት ዝሓረሰት ነብሰጾር","content":"ጋናዊት ነብሰጾር ካብ ሃገራ ተበጊሳ ናብ ኣሜሪካ ትጓዓዝ ኣብ ዝነበረት ነፋሪት፡ ብስንባደን ጣቕዒት ተጓዓዝትን ተዓጂባ ከምዝሓረሰት ተገሊጹ። እታ ብ29 ጥሪ ካብ ጋና ናብ ኣሜሪካ ኣብ ዝነበረ ነዊሕ በረራ ኣብ ውሽጢ ነፋሪት ዝተገላገለት ኣደ ነቲ ቦኽሪ ውላዳ ጂጂ ዝብል ስም ዘውጽኣትሉ ኮይና መዓልቱ ከይኣኸለ ከምዝተወለደ ተሓቢሩ። ኣብታ ነፋሪት ዝጓዓዝ ዝነበረ ጋናዊ ዶክተር ድማ ነታ ነብሰጾት ኣደ ብሰላም ክትሓርስ ሞያዊ ሓገዝ ከምዝገበረላ ተፈሊጡ። እታ ጋናዊት ነብሰጾት ኣብ መዛዘሚ ወርሒ ለካቲት ክትሓርስ ትጽቢት ይግበር ከምዝነበረ ካብ ምስክር ዓይኒ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት። ናንሲ ኣዶቢያ ኣናኔ ዝተብሃለት ጋዜጠኛ ኣብታ ካብ ዋና ከተማ ጋና ዝኾነት ኣክራ ዝተበገሰት ነፋሪት ነይራ’ያ። ንቢቢሲ - ፒጂን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ፈለማ ካብ ክፍሊ በረራ ሓጺር መግለጺ ክወሃብ ከሎ ኣብ ሞንጎ ገያሾ ቁሩብ ደንገርደግ ኣኸቲሉ ምንባሩ ኣረዲኣ። “እቲ ዝቐረብ ዝነበረ መተሓሳሰቢ ሓገዝ ክህብ ዝኽእል በዓልሞያ ሕክምና ኣብታ ነፋሪት እንተሃልዩ ዝጽውዕ ነይሩ። እንታይ ከምዝተፈጠረ ግን ኣይፈለጥናን” ኢላ ጋዜጠኛ ናንሲ። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ “ጉዳይ ድሕነት እቲ ህጻንን ኣዲኡን ከጨንቐኒ ጀሚሩ፤ ነፋሪትና ብሰንኪ እቲ ኩነታት ኣብ ቀረባ ናብ ዘሎ ቦታ ክትዓልብ ከምዝግበር’ውን እሓስብ ነይረ” ክትብል ነቲ ዝነበረ ኩነታት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ገሊጻ። ነቲ ጻውዒት ሓገዝ ዝተቐበለ ኣብ ኣሜሪካ ዝሰርሕ ዶክተር ስቴፈን ኣንሳህ-ኣዶ እታ ነብሰጾር ብሰላም ክትገላገል ብሞይኡ ሓጊዝዋ’ዩ። “ኣነ፣ ሓንቲ ነርስን ኣሳሳይት በረራን ኮይንና ነታ ኣዶ ኣብቲ ዝነበረ መስርሕ [ሕርሲ] ሓጊዝናያ፤ ምልኩዕ ቆልዓ ድማ ወሊዳ” ክብል ርእይትኡ ሂቡ ዶክተር ስቴፈን ኣንሳህ-ኣዶ። ጋዜጠኛ ናንሲ እቲ መስርሕ ሕርሲ 45 ደቓይቕ ከምዝወሰደ ከተዘንትው ከላ ዝስዕብ ትብል። “እቲ ሕርሲ ቅልጡፍ ነይሩ። ካብ 30 ክሳብ 45 ደቓይቕ ወሲዱ። ብናይታ ኣደ ኣውያትን በቲ ልሙድ ናይ ህጻን ብኽያት ዝተዓጀበ ነይሩ” ክትብል ገሊጻቶ። እታ ነፋሪት ናብ ዋሺንግተን ምስበጽሐት፡ ኣደን ወዳን ዝሓሸ ሓገዝ ሕክምና ንክረኽቡ ብዝብል ብሰብሞያ ጥዕና ከምዝተወሰዱ ተፈሊጡ’ሎ። ነብሰጾራት ኣብ ውሽጢ ነፋሪት ክወልዳ ዝተለመደ ኣይኮነን። ሓልሓሊፉ’ዩ ዝስማዕ። ኣብ ወርሒ ጥሪ ሓንቲ ካብ ስዑዲ ዓረብ ናብ ዩጋንዳ ኣብ ዝነበረ በረራ ሕማም ሕርሲ ዝተትሓዘት ነብሰጾር ብካናዳዊ ዶክተር ተሓጊዛ ከምዝወለደት ይዝከር። ገለ መንገዲ ኣየራት፡ 37 ሰሙናት ኣብ ዝመልኦ ጥንሲ፡ እቲ ናይ ምውላድ ሕማም ሕርሲ ከጋጥም ስለዝኽእል ክንድኡ ዝኣክል ግዜ ጥንሲ ዘቑጸራ ነብሰጾራት ከጓዓዛ ኣይፈቕዱን። ነብሰጾር ኮይንካ ዝግበር በረራ ንነብሰጾር ኣዴታት ዝጎድእ ከምዘይኮነ ድማ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዩናይትድ ኪንግደም የረድእ። ዝኾነ ዓይነት ጸገማት ጥዕና ወይ ምስ ጥንሲ ዝተሓሓዝ ጸገማት እንተሃልዩ ግን ቅድሚ በረራ ምስ መዋልዳን ወይ ዶክተር ምዝርራብ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ይሕብር።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60225902"} {"headline":"ወይዘሪት ኣሜሪካ' ኣብ 30 ዓመታ ሞይታ ተረኺባ","content":"ተዓዋቲት ውድድር ጽባቐ ወይዘሪት ኣሜሪካ ቸስሊ ክሪስት ሞይታ ከምዝተረኸበት ፖሊስ ኣፍሊጡ። ኣሰናዳኢትን ኣቕራቢትን ናይ ቴሌቪዥን ፕሮግራም፣ ጠበቓን ተዓዋቲት ውድድር ጽባቐ ወይዘሪት ኣሜሪካ - 2019 ዝነበረትን ቸስሊ ክሪስት ኣብ መበል 30 ዓመታ ከምዝሞተት ቤተሰባ ኣረጋጊጾም። ክሪስት ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ንጉሆ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ሞይታ ከምዝተረኸበት እዩ ፖሊስ ገሊጹ። እታ ቅድሚ 3 ዓመታት ኣብ ዝተዳለወ ውድድር ጽባቐ ወይዘሪት ኣሜሪካ፡ ብዘይፍትሓዊ ውሳነ ንዝተኣሰሩ ሰባት ጠበቓ ብምዃን ተገልግል ከምዝነበረት ይዝረብ። “ኣብ ስንባደን ከቢድ ሓዘንን ኮይንና እታ ፍትውቲ ቸስሊ ከምዝሞተት ክነፍልጠኩም ንደልይ” ኢሎም ቤተሰባ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ። “እቲ ድሙቕ ብርሃና ብጽባቐኣን ጥንካረኣን ኣቢላ ንኻልኦት ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ተነቓቕሕ ነይራ” ይብል እቲ መግለጺ። ቸስሊ ከም ጠበቓ ፣ ተዓዋቲት ውድድር ጽባቐ ወይዘሪት ኣሜሪካ፣ ከም ናይ ቴሌቪዥን ፕሮግራም ኣቕራቢት፣ ከም ሓንቲ ፍልጥቲ ሰብን ናይ መዘናግዒ መደብ ኣቕራቢትን “ብፍቕሪ ተመሊኣ ንኻልኦት ክተገልግል እትውፈ ነይራ” ኢሎም ቤተሰባ ኣብ መግለጺኦም። ቸስሊ ክሪስት ብሰንበት ንጉሆ ኣብ ገዝኣ ሞይታ ከምዝተረኸበት ዘፍለጠ ፖሊስ ኒውዮርክ፡ ኩነታት ኣማውትኣ ድማ ርእሰ-ቕትለት (ዓርሰ-ቅትለት) ከምዝኾነ ሓቢሩ። ቅድሚ ምሟታ ኣብ ዝነበረ ናይ ሓጺር ጊዜ ኣፈላላይ፡ ስእላ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኢንስታግራም ብምጥቃዕ “እዛ መዓልቲ ዕረፍትን ሰላምን ተምጽኣልኩም” ኢላ ጽሒፋ ነይራ። እቲ ካብ 2019 ጀሚራ ትሰርሓሉ ዝነበረት ‘ኤክስትራ’ ብዝብል ዝፍለጥ ናይ ቴሌቪዥን ፈነወ “ናይ ምድላውና ድምቀት ጥራሕ ዘይኮነትስ ኣብ ቤተሰብ ኤክስትራ ኣዝያ ተፈታዊትን ምስኩሉ ሰራሕተኛ እትመሓዞን ነይራ” ክብል ገሊጽዋ’ሎ። ክሪስት ኣብ 2019 ተዓዋቲት ውድድር ጽባቐ ወይዘሪት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ [ሚስ ዩ ኤስ ኤ] ክትኸውን ከላ፡ ኣብ ታሪኽ ንፈለማ እዋን ኣብ ሰለስተ ውድድራት ጽባቐ ኣመሪካ ጸለምቲ ደቂኣንስትዮ ናብ ዓወት ዝበቕዓሉ ኣጋጣሚ ኮይኑ ተመዝጊቡ’ዩ። ንሳ ወይዘሪት ኣሜሪካ ኣብ ዝተበሃለትሉ ዓመተ 2019፡ ኒያ ፍራንክሊን ‘ሚስ ኣመሪካ’ ኮይና። ካሊግ ጋሪስ ድማ ‘ሚስ ቲን ዩኤስ ኤ’ ክትኸውን በቒዓ። ቅድሚ ሕልፈተ ህይወታ ኣብ ዝነበሩ እዋናት ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ ትዛረብ ዝነበረት ክሪስት፡ ናብ ናይ ምምኻር ኣገልግሎታት ከይዳ ከምዝተረብሐት’ውን ትገልጽ ምንባራ ተሓቢሩ።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60211946"} {"headline":"ጥዕና፡ ብሓደ እግራ ማራቶን ዝጎየየት ጃኪ ሃንት-ብሮርስማ ክብረ ወሰን ዓለም ሓሊፋ","content":"ብሰንኪ መንሽሮ ጸጋማይ እግራ ምስ ስኣነት ጉያ ዝጀመረት ጓል ኣንስተይቲ ብተኸታታሊ ኣብ ውድድራት ማራቶን ብምጉያያ ናብ መዝገብ ክብረ ወሰን ዓለም [ጊነስ ወርልድ ሪከርድስ] ሓሊፋ። ጓል 46 ዓመት ጃኪ ሃንት-ብሮርስማ ካብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ መዓልታዊ 42.1 ኪሎ ሜትሮ ክትጎዪ ጸኒሓ፤ እዚ ኣብ ንቡር ሓሙሽተ ሰዓታት ዝወስድ እዩ። ብቀዳም፡ ንመበል 104 ግዜ ማራቶን ብምጉያይ ብመዝገብ ክብረወሰን ዓለም ኣፍልጦ ዘውህባ ውጽኢት ኣመዝጊባ ኣላ። ወሃቢ ቃል እቲ ትካል እዚ ክብረወሰን መረጋገጺ ንምሃብ ኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ክወስድ ከም ዝኽእል ገሊጹ። ተቐማጢት ኣሪዞና ዝኾነት ጃኪ \"ነዚ ብምፍጻመይ ብገለ ሸነኽ ኣዝየ ሕጉስ ኮይነ፤ ብገሊኡ ክኣ ጉያ ክቕጽል ኣለኒ ይብል\" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ። ጃኪ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክትውለድ እንከላ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝን ኔዘርላንድን ዓብያ። ጉያ ክኣ፡ ኣብ ህይወታ ተመሊሳ ክትረኽቦ ዘይትኽእል ነብሰ ምትእምማን ከም ዝፈጠረላ ትገልጽ። ኣብ 2002፡ ሓካይም ኔዘርላንድ 'Ewing's sarcoma' ዝተባህለ ብሰፊሑ ዘይርኣይ መንሽሮ ዓጽሚ ከም ዘለዋ ፈሊጦም። ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ህይወታ ንምድሓን ጸጋማይ እግራ ቖሪጾምዎ። ሽዑ ጓል 26 ዓመት እያ ነይራ። \"ጕያ ጕያ እዩ ነይሩ፤ ኩሉ ብሓንሳዕ እዩ ኣጋጢሙ\" ትብል። ኣብ መጀመርታ ክልተ ዓመታት ጃኪ ኣብ ህይወታ ምስ ዘጋጠመ ለውጢ ክትቃለስን ክትጽገምን ጸኒሓ። ብሕማም መንሽሮ ተጠቃዒት ምዃና ካብ ካልኦት ዝተፈለየት ኮይኑ ክስምዓ ስለ ዝገበረ ትቑጣዕ። ሰባት እቲ ሰብ ሰርሖ እግራ ንከይርእዩዎ ክኣ ነዊሕ ስረ ትኽደን። ኣብ 2016 ግን ጉያ ጀሚራ። ኣብ ናይ ነዊሕ ርሕቐት ውድድራት ንበዓል ቤታ ደጊፋ ትዕደም ነይራ፤ ንሳ ግን ከምኡ ክገብር ይኽእል እየ ኢላ ሓሲባቶ ኣይትፈልጥን። ድሕሪኡ፡ ንናይ ነዊሕ ርሕቐት ጎየይቲ ዝኸውን ፍሉይ ሰብ ሰርሖ እግሪ ገዚኣ ኣብ ህይወታ ንመጀመርታ ግዜ 10 ኪሎ ሜትር ክትጎዪ ጀሚራ። ኣብ ድሮ እቲ ውድድር፡ ኣብ ፍርቂ ማራቶን ክትወዳደር ወሲና፤ ድሕሪኡ ገጻ ንድሕሪት መሊሳ ኣይትፈልጥን። ነዊሕ ርሕቐትን ፍልይ ዝበሉ ውድድራትን እናኣተወት ክትሳተፍ ጀሚራ። \"ንነብሰይ ናብ ዝኾነ እየ ዘእትዋ። ዝኾነ ዶብ ምድፋእን ክንደይ ዝኣክል ክደፍእ ከም ዝኽእል ምርኣይን ይፈቱ'የ\" ትብል። ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት፡ ጃኪ ንነብሳ ሓድሽ ሸቶ ኣቐሚጣትሉ። እዚ ብተኸታታሊ ዝምዝገብ ዝበዝሐ ማራቶን ዝብል እዩ። ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ 95 ግዜ ዝጎየየት ኣሊሳ ኣሞስ ክላርክ ኣብቲ መዝገብ ክብረወሰን ሰፊራ እያ። ንሳ ጉያ ሓደ ካብቶም ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘስዓቦ ጸቕጢታት እትሓልፈሉ መገዲ ገይራ ብምርኣይ እያ ትጎዪ ነይራ እቲ ብደቂ ተባዕትዮ ዝተትሓዘ ክብረወሰን ጣልያናዊ ኢንዞ ካፖራሲ ኮይኑ፡ 59 ግዜ ማራቶን ጎይዪ። ኣሰልጣኒት ኣካላዊ ብቕዓትን ኣደ ክልተ ቖልዑን ዝኾነት ጃኪ ድማ፡ መዓልታዊ ናይ ማራቶን ርሕቐት ዘለዎ ክጎዪ ይኽእል እየ ብዝብል ክትጎዪ ጀሚራ። ኣብቲ ፍሉጥ ቦስተን ማራቶን ተወዳዲራ እያ፤ ግን ክኣ ውድድራት ማራቶን መዓልታዊ ዝግበሩ ስለ ዘይኮኑ ኣብ ኣሪዞና ኣብ ዘለው መጉየዪ ትራካት፣ ኣብ ገዝኣን ትጎዪ። ብሪጣኒያዊት ጎያዪት ኬት ጃይደን 101 ግዜ ብምጉያይ እቲ ብኣሊሳ ተታሒዙ ዝነበረ ክብረ ወሰን ምስ ሰዓረቶ፡ ጃኪ ነዚ ንምስዓርን \"ወርሒ ሚያዚያ ናይ መወዳእታ ማራቶን ብምጉያይ\" ንኽትዛዝሞ ብተኸታታሊ ክትጎዪ ጸኒሓ። ኩሎም 4,399 ኪሎ ሜትር ከምዝጎየየት እዮም ዝዛረቡ። ዓለምለኸ መዝገብ ክብረወሰን ድማ እቶም ዝቐርቡ መረዳእታትን ተመዝጊቡ ዝብሃል ክብረወሰንን ንምጽራይ ካብ 12 ክሳብ 15 ሰሙናት ክወስድ ከም ዝኽእል ንኤፒ ገሊጹ። ጃኪ፡ መዓልታዊ ክትጎዪ እንከላ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትልጥፎ ስለ ዝነበረት ንኸምኣ ዝበሉ ሰባት ሰብ ሰርሖ እግሪ ንዘቕርብ ንትርፊ ዘይቖመ ትካል 88 ሽሕ ዶላር ኣተኣኻኺባትሉ እያ። \"ጉያ ኣብ ጥዕና ኣእምሮይ ዓብዪ ለውጢ ኣምጺኡ'ዩ፤ ክንደየናይ ጠንካራ ክኸውን ከም ዝኽእል'ውን ኣርእዩኒ'ዩ። መን ምዃነይን ከበድቲ ነገራት ክገብር ከም ዝኽእልን እውን ኣርእዩኒ'ዩ\" ኢላ። እዚ ቀጻሊ ከም ዝኾነ ገሊጻ፤ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ድማ 386.2 ኪሎ ሜትሮ ዝሽፍን ኣብ ኡታህ ዝካየድ ውድድር ክትሳተፍ እያ።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61290775"} {"headline":"ጥዕና፡ መጠኑ ዝሓለፈ ርጉዲ ንመንሽሮ ማህጸን ከም ዘቃልዕ ተገሊጹ","content":"ዓቐን ዝሓለፎ ርጉዲ ንተቓላዕነት መንሽሮ ማህጸን ኣዐርዩ ከምዘዛይዶ ሓደ መጽናዕቲ ሓቢሩ፡፡ ንኣብነት ሓንቲ ቁመታ 1.65 ሜትር ዝኾነት ሰበይቲ፡ ካብቲ ምስ ቁመታ ተዛሚዱ ክህልዋ ዝግባእ፡ ክብደታ ብ 12.7 ኪሎግራም እንተወሲኹ ንመንሽሮ ማህጸን ዘለዋ ተቓላዕነት ብዕጽፊ ይውስኽ፡፡ እቲ 'ምርምር መንሽሮ ዩናይትድ ኪንግደም' ዝተባህለ ትካል ግብረ ሰናይ ብዝገበሮ ሓገዘ ገንዘብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣብ ብሪጣንያ፣ ኣመሪካን ካልኦት ሓሙሽተ ሃገራትን ኣብ ዝነበራ 120 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝተኻየደ እዩ፡፡ እቲ ትካል ከምዝሕብሮ፡ ጥዑይ መጠን ክብደት ምሕላው ን 13 ዓይነታት መንሽሮ ዘለና ተቓላዕነት ከምዝጎድል ይገብር እዩ፡፡ ጂንን (ሰረት ዘርኢ) ሆርሞናትን እውን ካልኦት መንቀሊታት ሕማም መንሽሮ ክኾኑ ይኽእሉ፡፡ ክሰዐ ብዝምልከት ዋህዮታት ስብሒ፡ ካልኦት ዋህዮታት ብተደጋጋሚ ክመቓቐሉ ዝሕብር መልእኽቲ የመሓላልፉ፤ እዚ ድማ መንቀሊ ሕማም መንሽሮ እዩ፡፡ ንኣብነት መበገሲ ገሊኡ ሕማም መንሽሮ ጡብ: ምስ ኤስትሮጅን ዝተባህለ ሆርሞን ደቂ ኣንስትዮ ዝተሓሓዝ እዩ፡፡ እዚ ብዋህዮታት ስብሒ እውን ይፈርይ እዩ፡፡ እቲ ብዩኒቨርሲቲ ብሪስቶል ማዕቢሉ ኣብ ቢኤምሲ መዲስን ዝተሓተመ መጽናዕቲ፡ ንርክብ ስብሕን መንሽሮ ጡብን ዝምልከት ካብ ዝተኻየዱ ዓበይቲ ምጽናዕቲታት ሓደ እዩ፡፡ እቲ መጽናዕቲ ሳዕቤን ናይቲ ኣብ መዋእል ዘጋጥም ወሰኽ ክብደት ዝመርመረ ኮይኑ ምስ ክሰዐን መንሽሮ ማህጸንን ዝተሓሓዙ 'ፋስቲንግ ሲንሱሊንን ተስተስትሮንን' ዝበሃሉ ክልተ ሆርሞናት ፈልዩ፡፡ እቶም ተመራመርቲ፡ ኣብ ቀጻሊ ንሕማም መንሽሮ ተቓላዕቲ ኣብ ዝኾኑ ሰባት መጠን እቶም ሆርሞናት ንምቁጽጻር ዘኽእል መድሃኒት ብሰብ ሞያ ክርከብ ተስፋ ይገብሩ፡፡ ካብቶም ነዚ መጽናዕቲ ዘካየዱ ሰባት ሓንቲ ዝኾነት ዶ\/ር ኢማ ሃዘልዉድ፡ እቲ መጽናዕቲ: ጀነቲካዊ መጽናዕቲ ተጠቒምካ ክሰዐ ማዕረ ክንደይ ንመንሽሮ ከሳጥሕ ከምዝኽእል ዘርኣየ እዩ ኢላ፡፡ ካልኦት እውን እቲ መጽናዕቲ ኣብ ቀጻሊ መንቀልን ሕክምናን ሕማም መንሽሮ ንምፍላጥ ከምዝሕግዝ ይገልጹ፡፡ ኣብ ብሪጣንያ ካብ 36 ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ: ብመንሽሮ ማህጸን ትሳቐ፡፡ ዘይልሙድ ምድማይ ብልዕቲ ቀንዲ ምልክት መንሽሮ ማህጸን እዩ፡፡","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61172503"} {"headline":"ጥዕና: ኣዶታት ጸባ ዝልግሳሉ ባንኪ ጸባ ጡብ","content":"ዝሓመሙን ካብ ኣዴታቶም እኹል ጸባ ክረኽቡ ዘይክእሉ ኣብዘይግዚኦም ዝተወለዱ ህጻናትን ሓገዝ ጸባ ጡብ ዘቕርብ ባንኪ ኣብ ዌልስ: ብሪጣንያ ተኸፊቱ፡፡ ሆስፒታላት ዌልስ ካብ ቸስተርን በርሚንግሃምን ኣብ ዝመጽእ ጸባ እየን ተመርኲሰን ጸኒሐን፡፡ ሐዚ ግና ተረፍ ጸባ ጡብ ዘለወን ኣዴታት ኣብቲ ኣብ ስዋንሲ ሲንግልተን ሆስፒታል ዝርከብ ማእከል ክልግሳ ይኽእላ እየን፡፡ ሳራ ኩድ ፡ ወዳ ጃኮብ ሸሞንተ ሰሙን ኣቐዲሙ ምስተወለደ፡ ካብ ኣጥባታ እኹል ጸባ ንምርካብ ተጸጊማ ነይራ፡፡ ‘‘ገና ከይሓቖፍክዎ ክንክን ክግበረሉ ብቐጥታ (ናብ ሆስፒታል) ተወሲዱ’’ ትብል እታ ጓል 32 ዓመት ኣዶ፡፡ ‘‘ካባይ ስለዝወሰድዎ፡ እቲ ቆልዓ ምሳኻ ኣብዘየለሉ ናይ ባዕልኻ ጸባ ጡብ ክተቕርበሉ ከቢድ ምዃኑ ግልጺ እዩ፡፡’’ ጃኮብ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ብውህብቶ ኣብ ዝመጽእ ጸባ እዩ ጽግዕተኛ ኮይኑ ጸኒሑ፤ ኣዲኡ እውን እቲ ጸባ ንዕብየቱ ከምዝሓገዞ እያ እትኣምን፡፡ ‘‘ከቢድ ጾር እዩ ካብ ዝባነይ ኣውሪዱለይ፤ ምኽንያቱ ‘ወደይ እኹል ጸባ ይረክብ የለን፤ ኣይክዓብይን እዩ’ ዝብል ጸቕጢ ኣይነበረንን’’ ትብል፡፡ ኣማኻሪ ሕክምና ዕሸላት ጌራይንት ሞሪስ፡ ኣብ ዘይእዋኖም ዝውለዱ ቆልዑ ኣብ እዋኖም ዝተወለዱ ቆልዑ ንዘየጋጥምዎም ሕማማት ዝተቓልዑ ከምዝኾኑ ይገልጽ፡፡ ገሊኦም ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ ኮይኖም፡ ጸባ ጡብ ኣዶ ግና ነቶም ሕማማት ክጻወሩ ክሕግዞም ይኽእል፡፡ በቲ ዝልገስ ጸባ ነቶም ህይወት ዕሸላት ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ ክስተታት ምቕናሰ ከምዝተኽኣለ ዝልገጽ ሞሪስ፡ ናይ ህጻናት ብህይወት ናይ ምጽናሕ መጠን ከምዝተመሓየሸ እውን ሓቢሩ፡፡ እቲ ሓድሽ ባንኪ ኣዴታት ዌልስ ጸባ ጡብ ክልግሳ ዘኽእል እዩ፡፡ ቅድሚ ሕዚ ጸባ ጡብ ናብ እንግሊዝ ንምጉዕዓዝ ምቹው መጓዓዝያ ስለዘይነበረ ክልግሳ ኣይክእላን ነይረን፡፡ ክርስቲ ባከራሊ፡ ኣጥቧታ ካብቲ ወዲ 5 ወርሒ ውላዳ ዘድልዮ ንላዕሊ ጸባ እዮም ዘመንጭዉ፡፡ ስለዚ ንካልእ ጸባ ጡብ ዘድልዮ ህጻን ናይ ምልጋስ ሓላፍነት ከምዘለዋ እዩ ዝስመዓ፡፡ በዚ መሰረት ንክትልግስ ተመዝጊባ፡ ደማ እውን ተመርሚራ፡፡ ንኽልተ ኣዋርሕ ነቲ ተረፍ ጸባ ኣብ ጠራሙዝ እናመለአት ኣብ ፍሪጅ እናቐመጠቶ ጸኒሓ፡፡ ወለንተኛታት ድማ ነቲ ጸባ ክዳሎን ምልክት ክግበረሉን ወሲዶምዎ፡፡ ድሕሪኡ ኣብ ረብሓ ክሳብ ዝውዕል ናብ ዝቕመጠሉ ኣብ ሲንግልተን ሆስፒታል ዝርከብ ባንኪ ተወሲዱ፡፡ ወ\/ሮ ባከራሊ፡ ወዳ ጸባ ጡብ እንድሕር ደልዩ፡ ክልግሳሉ ዝኽእላ ኣደታት ምህላወን ሕጉስቲ እያ፡፡ ህጻን ጃኮብ ድማ ነቲ ኣብ ዕሸል ዕድሚኡ ዝረኸቦ ጸባ ምስጋና ይብጸሓዮ፡ ይጉብዝ ኣሎ፡፡ ኣዲኡ ወ\/ሮ ኩድ ድማ ኣጥቧታ ጸባ ብኣግባብ ምምንጫው ኣብ ዝኽእለሉ ብርኪ ስለዝበጸሐ፡ ንባንኪ ጸባ ስዋንሲ ክትልግስ ሓሳብ ኣለዋ፡፡","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61079325"} {"headline":"ደቂ ኣንስትዮ ኢራን፡ \"ብተግባራተይ እሓፍር እየ፡ ግን እንታይ ኣማራጺ'ኸ ኣለኒ?\"","content":"\"ብተግባራተይ እሓፍር እየ፣ ግን፡ እንታይ ኣማራጺ'ኸ ኣሎኒ?\" ትብል ነዳ፡ ሓንቲ ፍትሕቲ ካብ ቴህራን። ቀትሪ ኣብ እንዳ መሻጢት እያ ትሰርሕ። ምሸት ግን ዕረ እናጠዓማ፡ ኣብቲ ነብስኻ ሼጥካ ገንዘብ ዝርከቦ ኣመንዝራነት ከም ካልኣይ ስራሕ ትወፍር። \"ደቀንስትዮ ኣብ ዘይክበራሉ፡ ቍጠባ ኣብ ዝወደቐሉ፡ ዋጋታት መዓልታዊ ኣብ ዝንህረሉ ሃገር እየ ዝነብር፡\" ድሕሪ ምባል፡ \"በይና ውላዳ እተዕቢ ኣደ እየ፣ ስለዚ ወደይ ብግቡእ ከዕቢ ግድን እዩ። ምንዝርና ጽቡቕ ኣታዊ'ዩ ዘለዎ። ድሮ'ኳ ኣብ ማእከል ከተማ ሓደ ንእስ ዝበለ ገዛ ክገዝእ ወጢነ ኣለኹ። እዚ እቲ ዘሕዝን ክውንነት ህይወተይ እዩ፣ በቃ መንፈሰይ እየ ዝሸይጥ ዘለኹ።\" ኢራን፡ ኣብ 2012 'ሃገራዊ መደብ ምዕጋት ኣመንዝራነት' ኣዊጃ ነይራ። እንተዀነ ዘይወግዓዊ ጸብጻባት ገለ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ተመራመርትን ከም ዝሕብርዎ፡ ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ጾታዊ ስራሕ ዝወፍሩ ሰባት እናዛየደ እዩ መጺኡ። ዓቃባዊ ሃይማኖታዊ ኣቃውማ ኢራን፡ ዛዕባ ኣመንዝራነት ኣብታ ሃገር ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ብዕሊ ክነጽግ ጸኒሑ እዩ። ብኣንጻሩ፡ ኣመንዝራነት፡ መንእሰያት ንምዝራግ ወይ ውድቀት ደቀንስትዮ ንምውቃስ ብምዕራባውያን ዝተኣልመ ሽርሒ ምዃኑ ይገልጽ። ዘይወግዓዊ ጸብጻባት ከም ዝመልክትዎ፡ ኣመና ንኣሽቱ ኢራናውያ ከይተረፋ ኣብ ጾታዊ ስራሕ ይዋፈራ ኣለዋ። ካብ ዝተፈላለየ ዘይመንግስታውያን ትካላት ዝተኣከበ ሓበሬታ፡ ኣብ 2016፡ ደቂ 12 ዓመት ከይተረፋ ኣብ ምንዝርና ከም ዝተዋፈራ ይነግር። \"ኣፍታብ ሶሳይቲ\" ዝተባህለ፡ ኣብ ኢራን ብወልፊ ሓሽሽ ንዝተጠቕዓ ደቀንስትዮ ኣብ ምእላይ ዝግደስ ዘይመንግስታዊ ትካል፡ ኣብ 2019 ከም ዝበሎ፡ ኣብ ቴህራን ጥራይ 10 ሽሕ ዝዀና ደቀንስትዮ ኣመንዝራታት ኣለዋ። ካብኣተን ብገምጋም እተን 35% ምርዑዋት እየን። ኣሚር ማሕሙድ ሃሪቺ ዝተባህለ ፕሮፈሰር 'ማሕበራዊ ውሕስና' ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቴህራን ከም ዝሕብሮ፡ ቍጽሪ ኣመንዝራታት ቴህራን ካብዚ ዝተባህለ ዕጽፊ ክኸውን ይኽእል እዩ። ዕድል ስራሕ ዘይምርካብ፣ ጾታዊ ማዕርነት ዘይምህላው፣ ብዙሓት ደቀንስትዮ ኣብ ትሕቲ መሰመር ድኽነት ክነብራን፡ ከም ሳዕቤኑ ነብሰን ሸይጠን ክነብራን የገድድ። እዚ ስራሕ ግን ብዙሕ ሓደጋታት ከኣ ኣለዎ። \"ኣመንዝራነት ኣብ ኢራን ነታ ጓለንስተይቲ ብሕማቕ ዘቕጽዕ፡ ዘይሕጋዊ ስራሕ ምዃኑ እቶም ደቂተባዕትዮ ይፈልጡ እዮም፣ ነዚ ድማ ከም ሓደ ዕድል ክብለጽሉ ይደልዩ፡\" ትብል ተመሃሪት ዩኒቨርሲቲ ቴህራንን፡ ኣመንዝራ ትርፊ ግዜ ዝዀነት ማህናዝ። \"ብዙሕ ግዜ ከይከፈሉኒ ዝኸዱ ደቂ ተባዕትዮ ኣጋጢሞምኒ ኣለው፣ ክኸስስ ድማ ኣይክእልን እየ፡\" ብምባል ማህናዝ፡ መነባብሮ ኣብ ቴህራን ኣመና ከቢድ ስለዝዀነ ካልእ ዓይነት ስራሕ ሰሪሕካ ድማ ወጻኢታትካ ክትሽፍን ከም ዘይትኽእል ተረድእ። 'መደሰቲ መርዓ' ኣብ 1979 ድሕሪ ዝመጽአ እስላማዊ ሰውራ ኢራን፡ ሓያለ ኣመንዝራታት ንሞት ተፈሪደን፡ ትካላት ምንዝርና'ውን ተዓጽዩ። እንተዀነ፡ ንጓለንስተይቲ ከም ጾታዊ ኣቕሓ ናይ ምጥቃም ተግባር ሕጋዊ ንምግባሩ ዘኽእል፡ \"ዘዋጀ 'ል 'ሙትዓ\" [መደሰቲ መርዓ] ዝበሃል፣ ዝጸንሓሉ ግዜን ዝወሃብ ካሕሳን ብውዕል ዝውሰን፣ ንግዚኡ ግዚያዊት ሰበይቲ ናይ ምእታው ተግባር ኣስፋሕፊሑ። ብመሰረት ስርዓት ሺዓ ኢራን፡ 'ሙትዓ' ፍቝድ እዩ፣ ከም ሽርሙጥና ድማ ኣይሕሰብን። እዚ ተግባር ኣብተን ካብ መላእ ዓለም ብዝመጽኡ ኣመንቲ ሺዓ ዓመታዊ ዝንገዳ፡ ማሻድን ቘምን ዝበሃል 'ቅዱሳን' ከተማታት ከየተረፈ ዝውቱር ኰይኑ። ሓደ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ከም ዘርእዮ፡ ዒራቓውያን ሰብኡት ኣብ ማሻድ ምስ በጽሑ፡ ንስለ ጾታዊ ድሌታቶም ብወግዒ ግዚያዊ መርዓ ከም ዝገበሩ ይዛረቡ። ኣብዚ እዋን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ግዝያዊ መደሰቲ መርዓ ብኢንተርነት፡ በመገዲ ቴሌግራምን ዋትስኣፕን ከይተረፈ ዘሳልጣ፣ መንግስታዊ ፍቓድ ከም ዝረኸባ ዝገልጻ ማእለያ ዘይብለን ትካላት ተፈጢረን ኣለዋ። ኣብ ኢራን፡ መነባብሮ እናዕረገ፡ ገሊኡ ኸኣ መሰረታዊ ሃለኽቲ ክዕድግ ዘይክእለሉ ደረጃ ተበጺሑ'ሎ። ሓደ ካብ ጠንቂ ክብደት መነባብሮን ምስፍሕፋሕ ሽርሙጥናን፡ እቲ ምስ መደባት ኑክሊየር ኢራን ተኣሳሲሩ ብኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ 'ታ ሃገር ዝጸንዐ ቍጠባዊ ማዕቀብ እዩ። ካብ ዝሓለፈ ዓመት፡ መጠን ዝቕባበ ናብ 48.6% ደይቡ። ሽቕለት ኣልቦነት'ውን ወሲኹ፣ ብዙሓት ካብቶም ስራሕ ዝረኽቡ'ውን፡ ዝኽፈሎም ደሞዝ ምስ ንናብራኦም እኹል ኣይኰነን። እዚ እናዀነ፡ ቍጽሪ ናይቶም ገንዘብ ምእንቲ ክረኽቡ፡ ምስ ደቀንስትዮ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ፡ ካብ 20-35 ዓመት ዝዕድመኦም መንእሰያት እናወሰኸ፣ እዚ ተርእዮ ኣብተን ዓበይቲ ከተማታት ኢራን ብፍላይ እናገነነ ይመጽእ ኣሎ። ካምያር ዝተባህለ፡ ኣብ ሓደ ሱፐርማርኬት ከም ተቐባል-ገንዘብ [ካሸር] ዝሰርሕ ወዲ 28 ዓመት መንእሰይ፡ ብዘይ ሓገዝ ኣቦኡ ወጻኢታቱ ክሽፍን ስለዘይክኣል ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ስድራኡ ይነብር ነይሩ። ሕጂ ግን ኣብ ማእከል ቴህራን ሓደ ኣፓርታማ ክካረ ክኢሉ፣ ሓደ መዓልቲ ድማ ንወጻኢ ሃገር ክኸይድ ይትስፎ። \"ዓማዊለይ ብመገዲ ማሕበራዊ ሜድያ ዝረኽበን፡\" ይብል ካምያር። \"መብዛሕትአን ዓማዊለይ ኣብ 30ታት 40ታት ዕድመ ዘለዋ እየን። ሓደ ግዜ ግን ሓንቲ ጓል 54 ዓመት ረኺበ ነይረ። ኵለን ጽቡቕ ይከናኸናኒ፡ ጽቡቕ ገንዘብ ድማ ይኸፍላኒ፣ ሕድሮ ኵሉ ግዜ ኣብ ገዝአን እዩ። ብቐጥታ ባዕለይ ዝረኽበን ሓያለ ዓማዊል'ውን ኣለዋኒ።\" ካምያር፡ ኢንጂነሪንግ እዩ ተማሂሩ፣ ግን በዚ ዝፈትዎ ዓውዲ ዝዀነ መጻኢ ኣይረኣዮን። \"ኢንጂነር ምዃን እዩ ናይ ወትሩ ድሌተይ ነይሩ። ኣብዚ ግን ንዓይ ዝኸውን ዝዀነ ስራሕ የለን ፡\" ይብል። \"ሓደ ግዜ ሓንቲ ጓል ኣፍቂረ ነይረ፣ ስሩዕ ስራሕ ስለዘይነበረኒ ግን ክንምርዖ ኣይከኣልናን። በዚ ዝሰርሖ ሕጉስ ኣይኰንኩን። ንገንዘብ ክትብል ምስ ዝተፈላለያ ደቀንስትዮ ምድቃስ ፈጺሙ ኣብ ሕልመይ ኣይነበረን። ብርግጽ ሕፍረት ይስምዓኒ እዩ፣ ወጻኢታተይ ግን እሽፍን ኣለኹ። ኣብ ቅድመይ መከራ ጥራይ ኣብ ዝርእየሉ ሃገር እየ ዘለኹ።\" ናይዞም ኣብ ጾታዊ ስራሕ ከም ዝተዋፈሩ ተገሊጾም ዘለው ሰባት፡ መንነቶም ንምዕቃብ ሓቀኛ ኣስማቶም ተቐይሩ እዩ።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60678450"} {"headline":"ማሊ፡ እንኮ ትሽዓተ መናቱ ዓለምና ቀዳማይ ዓመት ልደቶም ጸንቢሎም","content":"ማላውያን 9 መናቱ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ጥዕና ኮይኖም ቀዳማይ ዓመት ልደቶም ትማሊ ከም ዘኽበሩ ተፈሊጡ። ኣብ ዓለም እንኮ ካብ ሓደ ጥንሲ ዝተወለዱን ብህይወት ዘለዉን ትሸዓተ መናቱ ኣብ “ፅቡቕ ኩነታት ጥዕና ኮይኖም” ቀዳማይ ዓመት በዓል ልደቶም ከም ዘኽበሩ ኣቡኦም ንቢቢሲ ተዛሪቡ። “ኩሎም ይፋሓዅ ኣለዉ። ገሊኦም ኰፍ ይብሉ፤ ዝኾነ ነገር እናተደገፉ’ውን ታተ ክብሉ ጀሚሮም” ይብል ኣባል ሰራዊት ማሊ ዝኾነ ኣቦ እቶም ህፃናት ኣቡበከር ኣርቢ። እቶም ህፃናት ክሳብ ሎሚ ኣብታ ዝተወለዱላ ሞሮኮ ኣብ ዝርከብ ትካል ጥዕና ክትትል ይግበረሎም’ዩ። ጓል 26 ዓመት ኣደ እቶም መናቱ ሓሊማ ሲሴ ‘ውን ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ጥዕና ከምእትርከብ ኣቡበከር ገሊፁ’ሎ። “ቀሊል ነገር'ኳ እንተዘይኮነ ግን ከኣ ዓብዪ ነገር እዩ። ገለ እዋናት ድኻም እንተተሰምዓካ’ውን ኩሎም ህጻናት ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ጥዕና ኮይኖም ክትሪኦም ከለኻ ቅሳነት’ዩ ዝስምዓካ። ንኹሉ ነገር ኢና ንርስዖ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ንጓል 3 ዓመት ጓሎም ሱዓዳ ሒዙ፡ ናብ ሞሮኮ ብምምላስ፡ ምስ ሰበይቱን ምስቶም ትሽዓተ መናቱ ደቁን ተራኺቡ። “ምስ ምሉእ ስድራይ ብምርኻበይ ኣዝየ ተሓጒሰ ኣለኹ” ክብል ድማ ስምዒቱ ገሊፁ። ኣብቲ ንእስ ዝበለ ውራይ በዓል ልደት እቶም መናቱ ነርስታትን ጎረባብቶምን ከም ዝዓደሙ ዝሓበረ ኣቡበከር ኣርቢ “ከም ቀዳማይ ዓመት ዝበለ ነገር የለን። ነቲ ነሕልፎ ዓብዪ መዓልቲ ክንዝክሮ ክንነብር ኢና” ኢሉ። እቶም መናቱ ህፃናት ካብ ሓደ ጥንሲ ተወሊዶም ብህይወት ዘለዉ ብዝብል ኣብ መዝገብ ክብረወሰን ዓለም ክሰፍሩ በቒዖም ኣለዉ። ኣደ እቶም ህጻናት ናብ ሕርሲ ምስ ተቓረበት መንግስቲ ማሊ በዓልሞያ ሕክምና መዲቡ ኣብ ሞሮኮ ከይዳ ብዝሓሸ ክትትል ክትወልድ ከም ዝገበረ ይዝከር። ብዙሓት መናቱ ዝርከብዎ ጥንሲ ዝተሰከማ ኣዴታት ንሓደጋ ዝተቓልዓ ከም ዝኾና ዝግለጽ ኮይኑ፤ ኣብ ገለ ምንፃል ጥንሲ ሕጋዊ ዝኾነለን ሃገራት ገሊኦም ካብቶም ድቂ ክንፀሉ ከም ዝምዕዳ ይግለፅ። እቶም ህጻናት እውን ኣብ ዘይመዓልቶም ዝውለዱሉ ኩነታት ስለ ዝህሉ ንኸም ናይ ሓንጎል መልመስቲ ዝበሉ ጸገማት ጥዕና ዝቃልዑሉ ኩነታት ኣሎ። እቶም ማላውያን 9 መናቱ ኣብዚ እዋን ኣብ ሞሮኮ ክትትል ሕክምና እናተገበረሎም ምስ ኣዲኦም ይነብሩ ዘለዉ ኮይኖም፡ ኩነታት ኣመጋግብኦም ከይተረፈ በቲ ክሊኒክ ክትትል ከም ዝግበረሉ ኣቡበከር ኣርቢ [ኣቦ እቶም መናቱ] ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ሓሙሽተ ደቂኣንስትዮ ኣርባዕተ ድማ ደቂ ተባዕት እዮም። ኩሎም ከኣ ነናቶም ባህርያት (ጠባይ) ከም ዘለዎም ኣቦኦም ገሊፁ’ሎ።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61330471"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ዘውድቕ ሕማም ካብ ምንታይ ይመጽእ?","content":"ብስነፍልጠታዊ መገዲ ብሓጺሩ፡ እዚ ሕማም ብሰንኪ ግዚያዊ ምርባሽ፡ ኣብ ኣእምሮ ነዝሪ [ተዘዝታ] ኤሌክትሪክ ከጋጥም እንከሎ ዝኽሰት እዩ። እንተዀነ፡ ሕብረተሰብና ብዛዕባ'ዚ ዝተፈልየ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ። ጠንቂ ናይቲ ሽግር ድማ ካብዚ እዩ ዝነቅል። ጐዳኢ ልምድታትን ኣጕል እምነትን ኣብ ዘለዎ ሕብረተሰብ፡ ዘውድቕ ሕማም፡ \"ኢፒለፕሲ\" ከም መርገም እዩ ዝቝጸር። \"ን 30 ዓመታት ምስዚ ሕማም እናነበርኩ፡ ብዙሕ ውረድ ደይብ ኣጋጢሙኒ እዩ። ጓል 18 ዓመት እንከለኹ እዩ ጀሚሩኒ፣ ሽዑ ኣብ ኢትዮጲያ እየ ነይረ። ብዙሕ ኣካላዊ መጕዳቲ ወሪዱኒ። ካብቲ ሕማም ንላዕሊ ግን ኣረኣእያ ሰባት እዩ ዝያዳ ኣሕሚሙኒ። ሰባት ኣእምሮኻ መመሊሱ ዘናውጽ ነገር እዮም ዝዛረቡኻ፣ ዘርእዩኒ ዝነበሩ ገጽ ከኣ መመሊሱ ይርብሸኒ። ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ከድኩ ግን እዚ ዅሉ ተቐይሩ እዩ። ኣብኡ ዘውድቕ ሕማም ማለት ከም ዝዀነ ተራ ሕማም እምበር ካልእ ኣይኰነን። ጠንቂ ምዝባዕ መትንታት ሓንጐል እዩ - ኣኸለ። ከም ካልኦት ሕማማት፣ ከም ጸቕጢ ደም፡ ሓማም ሽኮርን ካልእን እምበር ክንዮኡ ዝኸደ ትርጕም የብሉን። ኣብ ርእሲኡ ሕክምና ይዅን መድሃኒት ብቐሊሉ እዩ ዝርከብ። እዚ ዕድል'ዚ ደቂ ዓደይ ክረኽብዎ ዘይምኽኣሎም ድማ ብዙሕ ግዜ የተሓሳስበኒ ነይሩ። ሓደ ግዜ ናብ ኢትዮጲያ ኣብ ዝተመስለኩሉ፡ ኣብ ሂልተን ምስ መሓዙተይ ሻሂ ሰቲና፣ ኣንፈትና ንሸነኽ ቤተ-መንግስቲ ገይርና ብእግርና እናተጓዓዝና፡ ሓደ ሰብ ብዘውድቕ ሕማም ከንፈርፍር ተጓኒፉና። ኣነ ነቲ ሰብ ክሕግዞ ኢለ ድንን ክብል፡ መሓዙተይ ግን ፈሪሖም። 'ክተኣታተወኪ እዩ፣ ይትረፍኪ!' ኢለን ጨዲረን። ናይ ልበን ከምኡ እየን ዝኣምና፣ ሽዑ ብሓቂ ሕማቕ ተሰሚዑኒ። ምኽንያቱ፡ መሓዙተይ ካብቲ ተማሂሩ ዝበሃል ክፋል ሕብረተሰብና እየን - ገሪሙኒ። 'ዝተማህረ ክፋል ሕብረተሰብና ገና ከምዚ ይብል እንተሎ ደኣ እቲ ኻልእ እንታይ ክሓስብ እዩ?' ዝብል ነገር ድቃስ ከሊኡኒ። ዓዲ ኣትየ ገለ ነገር ክገብር ኣለኒ ዝብል ውሳነ ዝወሰድኩ ድማ፡ ድሕሪ'ዛ ሕማቕ ኣጋጣሚ እዩ። \"ናይ 8 ወርሒ ጥንሲ እንከለኒ ብገጸይ ወዲቐ\" ወ\/ሮ እናት እውነቱ፡ ተቐማጢት ሃገረ እንግሊዝ ኰይና፡ ነዚ ኣተሓሳስባ'ዚ ንምስዓር'ያ፡ \"ኬር ኢፒለፕሲ ኢትዮጲያ\" ዝብል ማሕበር መስሪታ። እናት፡ ነዚ ማሕበር ድሕሪ ምምስራታ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ኢትዮጲያ ዘይራ፣ ብዙሕ ዛንታታት'ውን ሰሚዓ እያ። ኵነታት እዞም ሕሙማት፡ 'ኣካላውን ኣእምሮኣውን' ኢላ ብኽልተ መገዲ ትርእዮ። ኣካላዊ ሕማም እትብሎ፡ ተመኵሮኣ ምርኩስ ብምግባር፡ \"ንኣብነት ኣነ ብዙሕ ግዜ ብሕማቕ ወዲቐ እየ፣ ብፍላይ ኣብተን ቀዳሞት ሓሙሽተ ዓመታት ብዝኸድክዎ እየ ዝወድቕ ነይረ። ብሰንኪ'ዚ ድማ፡ መስበርቲ ኢድን ስኒን፣ ከምኡ'ውን ማህረምቲ ኣፍንጫ ኣጓኒፉኒ፣ ክሳብ መጥባሕቲ'ውን ገይረ እየ።\" እናት፡ ሓደ ግዜ ኣብ ዝቦኽዐ ውዑይ ኖራ ወዲቓ፡ ቈርበት ገጻ ተገሃሂጹ። ምቝራጽን ምስንጣቕን ከንፈር ኣጋጢምዋ ድማ መጥባሕቲ ኣካይዳ እያ። \"ሓደ ግዜ፡ እንዳመሓዘይ ኣብ ዝኸድኩሉ ሃንደበት ወዲቐ። እቲ ሕማቕ ነገር ድማ፡ ኢደይ ኣብ ራድያቶረ መውዓዪ ገዛ ኣትዩ፣ መሓዛይ ከኣ ኣይረኣየትንን። ምስ ተበራበርኩ፡ ፍርቂ ኢደይ ተመላሊጡ ጸኒሑኒ።\" እናት፡ ብዙሕ ተጓንፎታት እዩ ዘለዋ፣ እቲ ካብ ኵሉ ዝኸፍአ ግን ነፍሰ-ጾር ኰይና ዘጓነፋ እዩ። \"ጥንስቲ ሸሞንተ ወርሒ ኣብ ዝነበርኩሉ፡ ብኣፈይ ተደፊአ። ምስ ተበራበርኩ ውላደይ ዝሰኣንኩ እዩ መሲሉኒ ዝነበረ። ሽዑ ጭንቀት እዩ ከፊኡኒ። ጥዑይ ቈልዓ ወሊደ ኣብዚ ደረጃ'ዚ ክበጽሕ እየ ዝብል ግምት ኣይነበረንን። እግዚኣብሄር እዩ ባዕሉ ሓልዩኒ።\" እናት፡ ካብዚ ዅሉ ኣብ ኣካላ ዝወረደ መጕዳእቲ፡ እቲ ስነኣምሮኣዊ ቃንዛኡ ዝያዳ ከም ዝብእስ እያ ትዛረብ። ከም ኣገላልጻኣ፡ ቀዲሙ ዝመጽእ ጉዳይ፡ ብዛዕባ ነብስኻ ዘለካ ኣመለኻኽታ ምቅዋስ እዩ። መብዛሕትኡ፡ ነዚ ሕማም ዝወሃብ መድሃኒት ዝሰርሕ፡ ፍጥነት ኣእምሮ ብምጕዳል እዩ። ብሰንኪ'ቲ መድሃኒት ከኣ፡ ኣካላትና ማይ ክመልእ ይኽእል፣ እዚ ኸኣ ጠንቂ ምውሳኽ ክብደት ይኸውን። \"ሚዛን ሰብነት ምውሳኽ ድማ፡ ኣብ ገዛእ ርእሰይ ንዝነበረኒ ኣመለኻኽታ ጽቡቕ ኣይገብሮን። ኣይወጽእን ነይረ።\" ትብል። \"ዘውድቕ ሕማም እንተለካ ስምዒትካ ኣመና እዩ ዝጕዳእ። ኣብተን ቀዳሞት ዓመታት፡ እንታይ መርገሙ እዩ ነይሩኒ፡ እናበልኩ የመርር ነይረ፣ ፍርሒ ዝመልኦ ሂወት እዩ ነይሩኒ።\" ኣብቲ ግዜ እናት ካብ ገዛ ምውጻእ ኣመና እዩ ዘፍርሓ ነይሩ። \"ቈጸራ ክነብረኒ እንከሎ፡ 'እንተሓመምኩ'ኸ?' እናበልኩ ኣመና እጭነቕ ነይረ። 'ካልኦት ከ ብዛዕባይ እንታይ እዮም ዝሓስቡ ዝህልዉ?' ዝብል ጭንቀት የናውጸኒ ነይሩ። ብሰንኪ'ዚ ድማ ብሕቱው ህይወት መሪጸ።\" እናት ከም እትብሎ፡ እቲ 'ሕብረተሰብ ኣይቅበለንን እዩ፡' ዝብል ኣተሓሳስባ ብቐሊሉ ካብ ኣእምሮ ዝለቅቕ ኣይኰነን። ሓደ ግዜ ግን፡ ኣብ ህይወታ ክልተ ኣምራጺታት ከምዘለዋ ተኸሲቱላ፣ ወሲና። \"ኣብ ሻድሻይ ዓመት እዩ መስለኒ ወሲነ፣ 'ወይ ኢፒለፕሲ ከጥፍኣኒ እዩ ወይ ኣነ ክስዕር እየ' ኢለ። ካብኡ እዩ ህይወተይ ዝተቐየረ። ትምህርቲ ጀሚረ፡ ብቢዝነስ ማነጅመንት ማስተርስ ወዲአ፣ ቈልዓ ወሊደ።\" ተመስገን ፈጣሪ፡ ካብቲ ናይ ካልእ ዝተሓተ ናብራ እነብር ኣለኹ ኢለ ኣይሓስብን እየ። ካብዚ ናተይ ዓወት ነቒለ እየ ድማ፡ ህይወት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ንምቕያር ናብ ኢትዮጲያ ዝመጻእኩ።\" እናት፡ ኣብ ኢትዮጵያ መጺኣ፡ ማሕበር መስሪታ፡ ኣብ ካልኦት ወገናት ዝወርድ ዘሎ መጕዳእቲ ክትርኢ እንከላ ግን፡ እቲ ናታ ንእሽቶ ምዃኑ ተረዲእዋ። \"ኣብ ገጠራት ብዘወድቕ ሕማም ዝሳቐያ ብዙሓት ኣሕዋተይ ዝወርደን ነገር ልብኻ ዝሰብር እዩ። ብፍላይ እንጀራ ክስንክታ፣ ጸብሒ ክሰርሓ እንከለዋ ኣብ ዝወድቃሉ ግዜ፡ ብሓዊ ይህሰያ። ፍርቂ ገጸን ብሓዊ ዝነደደ ኣጓኒፈናኒ እየን።\" እቲ ዝኸፍአ ናይዚ ሕማም፡ መዓስን ኣበይን ከም እትወድቕ ዘይምፍላጥ እዩ፤ ህይወት ድማ ክትቅጽል ኣለዋ። ኣብ ገጠራት ህይወት ደቀንስትዮ ኣብ ውሻጠ እዩ፣ ኣብኡ ድማ ሓዊ ኣሎ። ምውዳቕ ከጋጥም እንከሎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሓዊ እዩ። ኣብ ሆስፒታላት ገጠር ኬድካ፡ ብሰንኪ ምንዳድ ሓዊ መጥባሕቲ ዘካየዳ ደቂ ኣንስትዮ እንተርኢኻ፡ መብዛሕትአን በዚ ሕማም ዝወደቓ እየን። እዚኣተን፡ እተን ዕድለኛታት ዝበሃላ እየን። ምኽንያቱ፡ እቲ ቤተሰብ ነቲ ሕማም ምስ መርገም ከየተኣሳሰረ፡ ሕክምና ንምውሳድ ዝወሰነ፡ ዝነቕሐን ዝተማህረን እዩ ማለት እዩ። እናት፡ ንብዙሓት ኣብ ሓዊ ወዲቐን ገጸን ዝነደዳ ደቀንስትዮ በጺሓ እያ። ሓደ ግዜ ኣብ ጂማ ዝረኣየቶ፡ ክሳዕ ሕጂ ዘይትርስዖ ፍጻመ እዩ። \"እታ ቘልዓ ዘውድቕ ሕማም ነይርዋ፣ ኣብ ሓዊ ወዲቓ። ገጻ ምሉእ ብምሉእ ነዲዱ፣ መን ምዃና ምፍላጥ ክሳብ ዝስኣን ተለብሊባ። \"እታ ጓል ዛንታኣ ክትነግረኒ እንከላ፡ 'ኣብ ኣውቶቡስ ኣይሰቕሉንን እዮም' ኢላትኒ። \"'ገለ ተጓዓዝቲ ይልምኑለይ እምበር፡ ገጸይ ስለዘፍርሕ ኣይሰቕሉልል እዮም' ኢላትኒ። ኵነታታ ኣመና ኣሕዚኑኒ። \"ገሊአን ብህይወት እንተ ተረፋ'ውን፡ ቁስሊ ዘልኣለም ሒዘን እየን ዝነብራ፣ ካብዚ ንላዕሊ ልቢ ዝሰብር ነገር እሞ እንታይ ኣሎ? \"ካልእ ግዜ'ውን ኣብ ከባቢ ሚዛን ከነስተምህር ምስከድና፡ ኣብኡ ዝረኸብናየን ነርሳት ሓደ ዘሰንብድ ነገር ነጊረናና። 'ዘውድቕ ሕማም ዘለወን ደቀንስትዮ፡ መከላኸሊ ጥንሲ'ውን ምስቲ መድሃኒት ናይቲ ሕማም ክወስዳ ኣለወን' ኢለናኒ። 'ስለምንታይ?' ኢለ እንተሓተትኩ፡ 'ናባና ካብ ዝመጽኣ መብዛሕትአን ተሓከምቲ፡ ካብ መን ከም ዝጠነሳ ኣይፈልጣን እየን፤ ምስ ጨነቐን ከኣ ወሊደን ኣብ መገዲ ይድርብያኦ'።\" ኣቶ ኣቢይ ኣስራት፡ ምኽትል ኣካያዲ ስራሕ 'ኬር ኢፒለፕሲ ኢትዮጲያ' እዩ። እዚ ካብ ዝምስረት 7 ዓመት ዝገበረ ማሕበር፡ ኣስታት 1 ሽሕ ኣባላት ኣለውዎ። ንሰናይ ተግባር ኢሎም ዝሕግዙ፡ ናይ መትኒ ክኢላታት ሓካይም'ውን ኣለውዎ። ምስ ማሕበር 'ኒዩሮሎጂስት' ብውህደት ዝሰርሕ ኰይኑ፡ ብክኢላታት ሕክምና ህጻናት'ውን ይሕገዝ። እዚ ማሕበር፡ ዓቕሚ ንዘይብሎም ሕሙማት መድሃኒት ምሃብን፡ ድጋፍ ህጹጽ ረዲአት ሕክምናንን ይገብር። \"ዘውድቕ ሕማም ዘለዎ ሰብ፡ በይኑ ጥራይ ኣይኰነን ዝሓምም፣ ቤተሰቡ'ውን ክሓሙ ይኽእሉ እዮም። ዓቕሚ ንዘይብሎም ድማ ክሳብ ንገዝኦም እናኸድና ንሕግዝ ኢና። ሓርጭ፡ ፓስታን ካልእ መሰረታውያን ነገራትን ሒዝና ብምኻድ ኢና ንበጽሖም።\" ኣብቲ ማሕበር ኣዝዮም ንኣሽቱ ህጻናት፣ ሊስትሮ፡ ተናበይቲ ጐደና. . . ወዘተ ከም ዘለው፡ ኣቶ ኣቢይ ይገልጽ። ወሲኹ፡ ኣብቲ ማሕበር ብዙሓት ደቀንስትዮ ከም ዝመጽኣን፡ ካብኣተን ዝተደፍራ\/ዝተዓመጻ ተናበይቲ ጐደና ከም ዘለዋ የረድእ። \"ዘውድቕ ሕማም ዘለወን፡ ተናበይቲ ጐደና ደቀንስትዮ ናባና ዝመጽኣ ኣለዋ፣ ዘጋጠመን ድማ ይነግራና እየን። ኣብቲ ዝነብራሉ ጐደና፡ ኣእምሮአን ስሒተን ከንፈጥፍጣ እንከለዋ፡ ነቲ ዕድል መዝሚዞም፡ ገለ ደቂ ተባዕትዮ ይደፍሩወን እዮም።\" \"ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ኢትዮጲያውያን ብዘውድቕ ሕማም ይሳቐዩ\" ብመሰረት ገምጋም ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ኢትዮጲያ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ብዘውድቕ ሕማም ይሳቐዩ። ካልኦት መጽናዕትታት'ውን እዚ ቍጽሪ ክሳብ 5 ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ይግምቱ። ኬር ኢፒለፕሲ ኢትዮጲያ፡ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ቤት ጽሕፈት ኰይኑ እዩ ብዙሕ ተግባራት ዘሳልጥ ዘሎ። \"ህዝብናን ወገንናን እነገልግለሉ ማእከል የድልየና። ቦታ ክወሃበና ሓቲትና ግን ምላሽ ኣይረኸብናን። መንግስቲ ነዚ ጉዳይ ትዅረት ክህቦ ንጽውዕ፡\" ይብል ኣቶ ኣቢይ። ዘውድቕ ሕማም ዘለወን ደቀንስትዮ፡ ብብዙሕ ነገራት እየን ዝሳቐያ። ፍቕራዊ ዝምድና ክምስርታ፡ ንኣብነት፡ ብዙሕ ይሽገራ። በቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ቄናን ኣመለኻኽታ፡ ፍቕራዊ ምቅርራብ ዝሰልጠን ዳርጋ የለዋን። ብዘርኢ መርገም ዝሰዓበ እዩ ስለዝበሃል፣ እቶም ዝውለዱ ቈልዑ'ውን ክሓልፎም ምዃኑ ስለዝእመን፡ ዝተማህሩ ኣወዳት ከይተረፈ እዚ ጉዳይ የፍርሖም እዩ። ወ\/ሮ እናት፡ ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ንቢቢሲ ከተዕልል እንከላ፡ \"ኣብ ማሕበርና እትመጽእ ሓንቲ ጓል ነይራ። ክትምርዖ ኢላ ኵሉ ነገር ተወዲኡ፣ መርዓኣ ሓደ ሰሙን ምስተረፎ፡ ሕጹያ ትሓምም ምዃና ፈሊጡ። ቅድሚኡ ግን ክትወድቕ ርእይዋ ኣይፈልጥን ስለዝነበረ፡ ምስ ረኣያ ግን እቲ መርዓ ሰሪዝዎ፣ ክትምርዖ ሓደ ሰሙን ምስተረፋ መርዓዊ ጠፊኡ።\" እታ ጓል ናብ ቤት ጽሕፈት 'ቲ ማሕበር ከይዳ ዝበኸየቶ፡ ወ\/ሮ እናት ትዝክሮ። \"እቲ ዘሕዝን ንሱ ኣይኰነን፣ እታ ጓል ትበኽዮ ዝነበረት፡ ካባይ ንላዕሊ ንኣደይ ኣሕፊረያ እናበለት እያ ትበኪ ዝነበረት።\" ወ\/ሮ እናት፡ ስነኣምሮኣዊ መስበርቲ 'ዛ ሓፍተይ ክማቐሎ ኣለኒ ኢለ እየ ንዓደይ ተመሊሰ ዘለኹ፡ ትብል። ሓደ ሰብ ኵሉ ክቕይር ከምዘይክእል እትኣምን ወ\/ሮ እናት፡ ነቲ ንሳ ዝጀመረቶ ካልኦት ክቕጽልዎ ከም ዝኽእሉ ድማ ትኣምን። ብሓፈሻኡ እዚ ሕማም፡ ምስ ጸገም ስርዓተ-መትኒ ዝተኣሳስር፣ ሕክምናዊ ምክትታል እንተ ተገይርዎ ግን ክፍውስ ዝከኣል እዩ። እንተዀነ፡ ሕክምናዊ መስርሕ ንውሕ ዝበለን ዕቱብ ምክትታል ዝደልን እዩ። እቶም ኣፋውስ'ውን ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዝውሰዱ እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ፡ 'ኮርተክስ' ኣብ ዝበሃል ክፋል ሓንጐልና ሽግር ከጋጥም እንከሎ፣ ዙረት ደም ኣብ ዝተወሰነ ክፋል ሓንጐልና ይተኣጓጐል። ወይ ከኣ ኣብዚ ክፋል ሓንጐልና በሰላ ወይ ዝዀነ ጽኪ መሳሊ ምስዝህሉ፡ እዚ ሕማም ከጋጥም ከም ዝኽእል መጽናዕትታት የመልክቱ። ብሰንኪ'ዚታት ድማ ምጭባጥ መትኒታት ይስዕብ'ሞ፡ እቲ ሕሙም ንዝተወሰን ደቓይቕ ሃለዋቱ የጥፍእ፣ ምግትታር ጭዋዳታትን፡ ምንቅጥቃጥ ሰብነትን የጋጥም። እዚ ዝዀነሉ፡ ስርዓተ-ኤሌክትሪክ ኣእምሮ ንዝተወሰነ ግዜ ስለዝዛባዕ እዩ። ንዘውድቕ ሕማም፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጲያ ኣብ ሆስፒታል ኣማኑኤል ይወሃብ ነይሩ። እዚ ግን ኣብ ልዕሊ ሕሙማት ኣሉታዊ ኣረኣእያ ንኽፍጠር'ውን ናይ ገዛእ ርእሱ ጽልዋ ከም ዝገበረ'ውን ይዝረብ እዩ። ኣብዚ እዋን ግን፡ ክፍሊ ኒዮሮሎጂ ኣብ ዘለወን ኵለን መንግስታውያንን ብሕታውያንን ትካላት ጥዕና ሕክምና ይወሃብ እዩ። ኣቶ ኣቢይ ከም ዝብሎ፡ እቲ ማሕበር፡ ካብ ማእከል ጥዕና ጀሚርካ ዘድሊ ቀረባት ምእንቲ ክህሉ፡ ጐስጓሳትን ዘድሊ ደገፋትን ገይሩ እዩ። ብተወሳኺ፡ ዓቕሚ ዘይብሎም እሞ ዝለዓለ ናይ ኢኢጂ [EEG] ወይ ኤምኣርኣይ [MRI] መርመራታት ንዘድልዮም'ውን እቲ ማሕበር ይደጋገፍ እዩ። \"መሳርሒ ኢኢጂ፡ ብገበርቲ ሰናይ ካብ ወጻኢ ሃገር ተለጊሱልና እዩ። ዓቕሚ ዘይብሎም ሰባት፡ ምስ ወለንተኛታት ክኢላታት ኒዩሮሎጂስት ብምትሕብባር፡ ምክትታል ከም ዝግበረሎም ንገብር፡\" ይብል ኣቶ ኣቢይ።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61117874"} {"headline":"ክልተ ማህጸን፣ ክልተ ክሳድ ማህጸንን ክልተ ርሕሚን ኣለኒ'","content":"\"ኤልሳቤጥ ኣሞኣ ይብሃል፤ ክልተ ማህጸን፣ ክልተ ክሳድ ማህጸንን ክልተ ኣፍደገ ርሕሚን ኣለኒ\" ትብል። እዛ ጓል 38 ዓመት ጋናዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ምስዚ ዘይተለምደ ጥዕናዊ ኩነታት ክንደየናይ ከም ዝተሳቐየት ንክተረድእ ናይ ጣዕሳ ብዝመስል ድምጺ እያ ትዛረብ። ጓል 32 ዓመት ክሳብ እትኸውን ዶኳትር እቲ ጸገም እንታይ እዩ ዝብል ከለልዩዎ ኣይክኣሉን ነይሮም። ኤልሳቤጥ ሕጂ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ እያ ትነብር። ክሳብ ብሕክምና ክልተ ማህጸን ከም ዘለዋ እትፈልጥ ግን [እዚ ሳሕቲ ዘጋጥም ተወርሶኣዊ ጸገም ጥዕና'ዩ] ንብዙሕ ዓመታት ብቃንዛ ከብዲ እናተሳቐየት መብዛሕትኡ ግዜ ስራሕ'ውን ክትሰርሕ ኣይትኽእልን ነይራ። ብ2010፡ ብመርመራ ከይፈተልጠ ነፍሰ ጾር ኮይና መዓልታ ዘይኣኸለት ቈልዓ ወሊዳ እያ። ኣብቲ ግዜ፡ ዋላ'ውን ነፍሰ ጾር ኮይና፡ እቲ ዕሸል ኣብ የማናይ ማህጸና እናዓበየ ንሳ ወርሓዊ ጽግያት ትርኢ ነይራ። \"ብየማናይ ማህጸነይ ድቂ ክሕዝ ይኽእል፤ ብጸጋማይ ከኣ ወርሓዊ ጽግያት ይርኢ። ነዚ እዩ ነፍሰ ጾር እናሃለኹ'ውን ወርሓዊ ጽግያት ጠጠው ዘይበለ\" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ። ድሕሪ ብዙሕ መጥባሕቲ፣ ሕክምናታትን መድሃኒትን ብ2015 ኣብ ሰብነታ እንታይ ይፍጠር ከም ዘሎ ክትፈልጥ ክኢላ። ንሳ፡ ሕጂ ዓለም እቲ ንሳ እትሓልፎ ዘላ ስቓይ ክትፈልጥ እሞ ካልኦት ብተመሳሳሊ ጸገም ከይሳቐያ ግንዛበ ክፍጠር ትደሊ። መጀመርታ ብዛዕባ ኩነታት ጥዕንኣ ንሓደ መደበር ራድዩ ጋና ምስ ተዛረበት፡ ብዙሕ ነቐፌታ ኣጋጢሙዋ'ዩ። እንተኾነ ሰባት ኣፍልጦን ግንዛበን ንክህልዎም ኣብ ምስራሕ ቐጺላ። \"ብኸም ናተይ ዝበለ ኩነታት ንዝሓልፋ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ፡ ስቕ ኣይትበላ፣ ንበይንኽን ኣይትቀንዘዋ፣ ብኣጋ ናብ ሕክምና ብምኻድ ግቡእ ክትትል ግበራ። ፍሉያት ምዃንክን ክኣ ከይትዝንግዓ\" ክብለን ይደሊ ኢላ።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60857627"} {"headline":"ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ “ኣውያት ዘምጽኦ ለውጢ ኣይነበረን”","content":"እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ በሰላኡ ኣብ ብዙሓት ነበርቲ እተን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝርከባ ክልልት ሓዲጉ ኣሎ። ብኣሽሓት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ፡ በቶም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ኩሎም ወገናት ጾታዊ ዓመጽ ከምዝተፈጸመን ገሊጸን ኣለዋ። ካብዘን ደቂ ኣንስትዮ ሰለስተ ነቲ ዝገጠመን ዘሰቅቕ ፍጻመ ነጊረናና ኣለዋ።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60912584"} {"headline":"ንባዕሉ ካብ ኤችኣይቪ ዘድሕን ሰብነት ውሑዳት ደቂ ኣንስትዮ","content":"ኣብ ኣርጀንቲና ሓንቲ ሰበይቲ ብዘይ ዝኾነ መድሓኒትን ሕክምናዊ ክንክንን ካብ ኤችኣይቪ ነጻ ኮይና ተረኺባ፤ እዚ ኣጋጣሚ ንኻልኣይ እዋን ዝተመዝገበ ክስተት እዩ፡፡ ዶኳትር፡ ናይቲ ተሓካሚ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ባዕሉ፡ ነቲ ቫይረስ ከምዘጥፈኦ እዮም ዝኣምኑ። ኣብ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዝኾኑ ዋህዮታት ሰብነታ ብዝተገበረ ምርመራ፡ እዚ ዝበሃል መልከፍቲ ቫይረስ ከምዘይተረኸባ እዩ ሕክምናዊ ውጽኢታ ዘመላኽት፡፡ እዚ ከይዲ ክፍለጥ እንድሕር ዳኣ ተኻኢሉ ኤችቫይቪ ንምጥፋእ ወይ ብዘተኣማምን ኩነታት ንምሕካም መገዲ ክፈጥር ከምዝኽል ሰብሞያ ዝገልጹ። ምጥፋእ ኤችኣይቪ እዚ ክስተት፡ ውሑዳት ሰባት ነቲ ቫይረስ ተፈጥሮኣዊ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ከምዘለዎም ዘርእይ ተወሳኺ መረዳእታ እዩ፡፡ ገለ ሰባት ረኽሲ ዝከላኸል ሰረት ዘርኢ (ጂን) ኣለዎም፡፡ ካልኦት ከምዛ ሽማ ክጥቀስ ዘይደለየት ኣርጀንቲናዊት ዝበሉ ሰባት ድማ እቲ ቫይረስ ይሕዞም እሞ ግን ከኣ ይጠፍእ፡፡ መብዛሕተኦም ኤችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ግና ብህይወት ንምቕጻል ዕድሚኦም ሙሉእ ዝወስድዎ ‘ኣንታይሪትሮቫይራል ቴራፒ’ (ኤኣርቲ) የድልዮም፡፡ ነቲ መድሓኒት ምውሳድ እንተቋሪጾም ድማ፡ እቲዝደኸመ ቫይረስ ተመሊሱ ጸገም ክፈጥረሎም ይኽእል፡፡ ካብ ቀረባ እዋናት ግና ብዛዕባ ‘‘ ዘይፍለጡ’’ ግን ድማ ብዘይ ዝኾነ ሕክምና ኤችኣይቪ ኣብ ሰብነት ወዲሰብ ክዳኸም ብዛዕባ ዝገብሩ ነገራት ዝገልጹ ጸብጻባት ይወጹ ኣለዉ፡፡ ኣዳም ካስቲለጆ ንካንሰር ንምሕካም ተባሂሉ ድሕሪ ዝተገበረሉ ናይ ዋህዮ ስግግር፡ መዓልታዊ ዝወስዶ ናይ ኤችኣይቪ መድሃኒት ደው ኣቢሉ እዩ፡፡ ኣብ ከይዲ እቲ ሕክምና ብኤችኣይቪ ተጠቒዖም ዝነበሩ ዋህዮታቱ ብሓደሽቲ ዋህዮታት ተተኪኦም፡፡ ከም ኣጋጣሚ እቲ ዋህዮታት ዝለገሰሉ ውልቀ ሰብ፡ ካብቶም ኣስታት 1 ምኢታዊት በዝሒ ህዝቢ ዓለምና ዝኾኑ ኤችኣይቪ ከይሕዞምን ከየጥቀዖምን ዝከላኸል ሰረት ዘርኢ ዘለዎም ሰባት እዩ፡፡ እንተኾነ እቲ ለንደነታይ ካስቲለጆ ዝረኸቦ ዕድል ንኽንደይ ዝኣክል እዋን ከምዝጸንሕ ዝፍለጥ ነገር የለን፡፡ እታ ኣርጀንቲናዊት ንዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ብዝተገበረላ ምርመራታት ዝረአ ቫይረስ ኣይተረኸባን፡፡ ተቐማጢት ሳን ፍንሲስኮ ዝኾነት ሎሪን ዊለንበርግ እውን ብናይ ባዕላ ተፈጥሮኣዊ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ካብቲ ቫይረስ ናጻ ኮይና እያ፡፡ እዚ ከኣ እቲ ቫይረስ ክመክን ብምግባር ዝድሕኑሉ መገዲ ክፍጠር ከምዝኽእል ብዙሓት ተሓከምቲ ተስፋ ይገብሩ፡፡ ሰብሞያ ሕክምና እውን ኣብዚ ኣተኲሮም መጽናዕቲ የካይዱ ከምዘለዉ እዮም ዝሕብሩ፡፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዝሰርሕ ፐሮፌሰር ጆን ፍራተር፡ ሰብነት እቶም ሕሙማት ብትኽክል ንባዕሉ ኣድሒኑ ድዩ ወይስ እቲ ናብ ሰብነቶም ዝኣተወ ቫይረስ ገና ከይተስፋሕፈሐ ጠፊኡ? ዝብል ሕቶ የልዕል፡፡ \"እቲ ናይ ምክልኻል ዓቕማ ተጠቒዑ ምንባሩ የርእይ እዩ፡፡ ስለዚ እቲ ቫይረስ ከምዝነበራ ሕቶ የብሉን፡፡ እንተኾነ ኣብቲ መድሓኒት ኤችኣይቪ ንምርካብ ክንመሃረሎም እንኽእል ተመሳሰልቲ ሰባት ይህልዉ እዮም\" ኢሉ፡፡ ኣብ ካርዲፍ ዩኒቨርሲቲ ዝሰርሕ ዶ\/ር ኣንድሪው ፍሪድማን ግና፡ ኣብዚ እዋን ዝወሃቡ ዘለዉ ጸረ ኤችቭኣይቪ መድሓኒታት ውጽኢታዊ ስለዝኾኑ ጎና ጎኒ እቶም መጽናዕቲታት፡ መድሓኒታት ናብ ሙሉእ ዓለም ተበጻሕቲ ዝኾኑሉ መንገዲታት ምድላይ ቀዳምነት ክወሃቦ ከምዝግባእ ይገልጽ፡፡","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59315956"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ዋጋ መሰረታዊ ሃለኽቲ ኣዝዩ ከምዝንሃረ ኦቻ ገሊጹ","content":"ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት መተሓባበሪ ሰብኣዊ ረድኤት (ኦቻ) ኣብ ትግራይ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ዋጋ ሃለኽቲ ሸቐጣት ብዝለዓለ ደረጃ ከም ዝወሰኸ ኣፍሊጡ። መግለጺ እቲ ቤት ጽሕፈት ከም ዘመልክቶ ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ሕጽረት መድሓኒታትን ናውቲ ሕክምናን በዳሂ ኮይኑ’ሎ። ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ድማ ሓደ ህጻን ዝርከቦም 18 ሰባት ብሰንኪ ሕጽረት ንዝውውር ደም ዝሕግዝ ‘ሄሞዲያሊስስ ካቴተር’ ዝተባህለ መሳርሒ ሕክምና ከም ዝሞቱ ሓቢሩ። ኣብ ሽረ ዋጋ ነዳዲ ብ2,300 ሚኢታዊት ከም ዝወሰኸ ዘመልከተ ኦቻ፡ ኣብ መቐለን ካልኦት ከተማታትን ሕጽረት ኣገደስቲ ዝበሃሉ ኣቑሑት ከም ዘጋጠመ ኣፍሊጡ። “መሰረታዊ መግብታትን ካልኦት ኣገስቲ ዝበሃሉ ናውትን ዋግኦም ብምንሃሩ ንነበርቲ በዳሂ ኮይኑ’ሎ። ካብ ስራሕ ዝቦኸሩ ኣብ ትሑት ቁጠባዊ ዓቕሚ ዝነብሩ ሰባት ናይ ምዕዳግ ዓቕሞም ኣንቆልቊሉ” ክብል ወሲኹ ሓቢሩ። ብፍላይ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ሰራሕተኛታት መንግስትን ካልኦት ተቖጺሮም ዝሰርሑ ሰባትን መሃይኦም ስለ ዝተቛረጸ መሰረታዊ ጠለባቶም ንምምላእ ከም ዝተጸገሙ ዘመልከተ ኦቻ ኣብ ባንክታት እኹል ገንዘብ ብዘይምህላዉ ድማ ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤት’ውን ንኣዋርሕ መሃይኦም ከም ዘይወሰዱ ገሊጹ። “እሙናት ምንጪታት ከም ዝሕብርዎ እቶም ካብ መረበቶም ዝተፈናቐሉ ሰባት መግቢ ተንከፍ ዘይኮኑን ብሓገዝ ዝተውሃብዎምን ናውቲ እናሸጡ መግቢ ንምዕዳግ ተገዲዶም ኣለዉ” ኢሉ። ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ካብ ካባቢኦም ዝተፈናቐሉ ሰባት እውን ንኸቢድ ጸገም ከም ዝተቓልዑ ብምሕባር፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈናቐሉ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ቅልጡፍ ረድኤት ከም ዘድልዮም ኣረዲኡ። ብድሆ ቀረባት ረድኤት ዝኾነ ሕጽረት ነዳዲ ኦቻ፡ ካብ 29 መስከረም ክሳብ 4 ጥቅምቲ 2021 ኣብ ዝነበረ እዋን ንዝኣከቦ ሓበሬታ መሰረት ዝገበረ ጸብጻብ ትማሊ 07 ጥቅምቲ ወግዓዊ ገይሩ። እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝኽሰት ዘሎ ኩነታት ኣቐዲምካ ንምግማት ናብ ዘጸግመሉ ደረጃ ይበጽሕ ምህላው ድማ ኣመልኪቱ። ኣብ ትግራይ ብፍላይ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳብው ሰሜናዊ ክፋል ከምኡ’ውን ከባብታት ምዕራብን ሰሜን ምዕራን ኣብ ዘተኣማምን ኩነታት ጸጥታ ስለ ዘይርከቡ ክሳብ ሕጂ ረድኤት ምሃብ ከም ዘይተኸኣለ ኦቻ ሓቢሩ። እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሕጽረት ነዳዲ ድማ ቀንዲ ማሕለኻ ምብጻሕ ረድኤት ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ። ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ክሳብ ሕዚ ውግእ ዝካየደሎም ከባብታት ብምህላዎም ከኣ ረድኤት ንምቕራብ ከም ዝተጸገመ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ። ካብ 29 መስከረም ክሳብ 5 ጥቅምቲ ኣብ ዘሎ እዋን 80 ረድኤት ዝጸዓና መኻይን ብዓፋር አቢለን ናብ ትግራይ ከም ዝኣተዋ ይፍለጥ። ትካላት ረድኤት ከም ዝብልዎ ግን ናብ ትግራይ ኣብ መዓልቲ 100 መኻይን ረድኤት ጽዒነን ክኣትዋ ኣለወን። እተን መኻይን መግቢ፣ ማይ፣ ሃነጽቲ መግብታትን መሕለዊ ጽርየትን ሒዘን ከም ዝኣተዋ ዝሓበረ ኦቻ፡ “ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝኾኑ ናውቲ ሕክምናን ነዳድን ግን ምእታው ኣይተፈቐደልናን” ኢሉ። ናብ ትግራይ ቅድሚ ትሸዓተ ሰሙናት ነዳዲ ከም ዝተልኣኸ ብምዝኽኻር ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ 8 ነዳዲ ዝጸዓና ተሽከርከርቲ ካብ መንግስቲ ፍቓድ ክሳብ ዝረኽባ ኣብ ዓፋር ደው ኢለን ምህላወን ኣፍሊጡ። ሕብረት ኣውሮጳ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ናብ መቐለ ዝለኣኻ ነፋሪት 10.6 ቶን መድሕን ህይወት ዝኾነ ቀረባት ረድኤት ሒዛ ነይራ። እቲ 4.4 ቶን ድማ ንህጻናት ዝኸውን ሃናጺ\/ሓይሊ ወሃቢ መግቢ’ዩ። ‘ኣብ ገዛ ዝወለዳ ኣደታት ሞይተን’ “ሕጽረት መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ኣዝዩ በዳሂ ኮይኑ’ሎ” ዝብለ ጸብጻብ ኦቻ፡ ብዘይካ እቶም ብሰንኪ ጽሕረት ‘ሄሞዲያሊሲስ ካቴተር’ ዝተባህለ ዝሞቱ 18 ሰባት ካልኦት ተወሰኽቲ 34 ኣብ ሓደጋ ሞት ከም ዝወደቑ ኣጠንቂቑ። ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ዝርከብ ናይ ኦክሲጂን ማሽን ከም ዝተሰበረን ንጽገንኡ ዝኸውን መለዋወጢ ኣቑሑ ኣብቲ ክልል ከም ዘይርከብን ድማ ሓቢሩ። ሰላዋ ኣብ ዝበሃል ቦታ ጥራሕ ሓሙሽተ ኣደታት ኣብ ገዝአን ክወልዳ ህይወተን ከም ዝሰኣና ገሊጹ’ሎ። ኣብ ሓውዜን፣ ኣኽሱም፣ ዓዲግራትን ካልኦት ከተማታትን ዝርከቡ ሆስፒታላት ድማ ብሰንኪ ሕጽረት ዝተመጣጠነ መግቢ ንዘጋጥም ጸገም ጥዕና ክሕክሙ ኣብ ዘይክእሉሉ ደረጃ ይርከቡ ኢሉ። “ሕጽረት ነዳዲ፣ ገንዘብን ናውቲ ሕክምናን ብምህላዉ ኣብዚ እዋን ኣብ 10 ወረዳታት ኣብ ዝርከባ 13 ትካላት ጥዕናን 39 መቕቖቢ ተፈናቐልትን ጥራሕ ኣገልግሎት ንህብ ኣለና” ክብል ወሲኹ ገሊጹ። ዝድለ መጠን ቀረብ ረድኤት ንምብጻሕ ሰሙናዊ 6.5 ሚልዮን ዶላር ከም ዘድልይ ኣመልኪቱ። “እዚ ክኸውን ዝኽእል ድማ ባንክታት ኣገልግሎት ምሃብ እንተኺኢለን ወይ መንግስቲ እኹል መጠን ክንቀሳቐስ እንተፈቒዱን ጥራሕ እዩ” ክብል ኣፍሊጡ።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58843018"} {"headline":"ክታበት ኮቪድ ኣብ ምዝባዕ ወርሓዊ ጽግያት ዝህልዎ ጽልዋ ክጽናዕ ኣለዎ ተባሂሉ","content":"ድሕሪ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ደቂኣንስትዮ ንዝረኣይ ምዝባዕ ወርሓዊ ጽግያትን ዘይልሙድ ምፍሳስ ደምን መጽናዕቲ ክካየደሉ ከምዝግባእ ተሓቢሩ። ኣብ ብሪጣንያ ጥራይ ግን ልዕሊ 30,000 ደቂኣንስትዮ ድሕሪ ክታበት ምስ ወርሓዊ ጽግያተን ዝተሓሓዝ ጸገማት ከምዘጋጠመን ኣመልኪተን ኣለዋ። እቶም ድሕሪ ምውሳድ ሰለስተ ዓይነታት ክታበት ኮቪድ ዝረኣዩ ምልክታት ድማ ካብቲ ልሙድ መጠን ዝሓየለ ምፍሳስ ወርሓዊ ጽግያ፣ ምድንጓይ ወርሓዊ ጽግያን ዘይልሙድ ምፍሳስ ደምን ከምዝኾኑ ተፈሊጡ። ኣብ ኢምፐሪያል ኮሌጅ ለንደን ተመራማሪትን መምህርን ስነ-ብየና [‘ኢምዩኖሎጂ’ - መጽናዕቲ ዓቕሚ ምክልኻል ሕማማት ሰብነት ደቂሰብ] ከምኡ’ውን በዓልቲ ሞያ ፍርያምነት ዶክተር ቪክቶሪያ ማሌ ሰብነት ናይ ምክልኻል ግብረ-መልሲ ዝህበሉ ምኽንያት ምስቲ ክታባት ዘራኽብ ነገር ከምዘይብሉ ትገልጽ። ክታበታት ኮሮናቫይረስ ምስ ጥንስን ፍርያምነትን ዝራኸብ ጽልዋ ከምዘለዎም ዝረጋግጽ መረዳእታ’ውን ዛጊት ኣይተረኸበን። ኣብታ ሃገር ዛጊድ 47 ሚልዮን ክታበት ንደቂኣንስትዮ ተዋሂቡ’ሎ። ኤጀንሲ ቁጽጽር ኣፋውስን ናውቲ ክንክን ጥዕናን ብሪጣንያ ግን ነቶም ዝቐረቡ ጸብጻባት መሰረት ብምግባር ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ ኣብ ሞንጎ ክታበት ኮቪድን እቶም ዝበሃሉ ምልክታትት “ዘራኽብ ነገር የለን” ይብል። ምዝባዕ ወርሓዊ ጽግያ ኣዝዩ ዝተለመደን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ከጋጥም ከምዝኽእልን ብምሕባር እተን ሕዚ ድሕሪ ክታበት ምልክታት ተራእዩና ዝብል ደቂኣንስትዮ ከኣ ቁጽረን ውሑድ ከምዝኾነ ገሊጹ። እቲ ምዝባዕ ወርሓዊ ጽግያት ዝምልከት ሓበሬታ ካብ ውሱናት በቲ ቫይረስ ተታሒዘን ዝሓወያን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ኮቪድ ዘለወንን ደቂኣንስትዮ’ውን ይቐርብ’ዩ ዘሎ። ንጥዕና ዝምልከቱ ጽሑፋት ኣብ ዝሕተመሉ ‘ብሪቲሽ ሜዲካል ጆርናል’ ጽሑፋ ዘቕረበት ዶክተር ቪክቶሪያ ኣብቲ ምስ ሳዕቤናት ወርሓዊ ጽግያት ብዝተሓሓዝ ዝቐርብ ዘሎ ሓበሬታ “ኣዝዩ ሰፊሕ መጽናዕቲ” ምክያድ ነቲ ምስ ክታበት ብዝተሓሓዝ ዝዝርጋሕ ግጉይ ሓበሬታ ንምቅላስ ከምዝሕግዝ ተረድእ። “ስኑዓት ሓበሬታታት ዘበግስዎ ኣብ መናእሰይ ደቂኣንስትዮ ዝረኣይ ናይ ዘይምኽታብ ድልየት ነቲ ኣብ መጻኢ ዝህልወን ናይ ምጥናስ ዕድላት ክሃስዮ ይኽእል’ዩ” ትብል። ንኹሎም እቶም ድሕሪ ክታበት ኮቪድ ምዝባዕ ወርሓዊ ፍግያት ከምዝጋጥም ኣመልኪቶም ዝቐርቡ ዘለዉ ሓበሬታታት ምምርማር ኣገዳሲ ከምዝኸውን ድማ ትምዕድ። ኣብዚ ጉዳይ “ንጹርን ተኣማንን ሓበሬታ” ምቅራብ ነተን ዑደት ወርሓዊ ጽግያተን ብኣጋ ክፈልጣ ዝደልያ ደቂኣንስትዮ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ዶክተር ቪክቶርያ ወሲኻ ትገልጽ። ተመራመርቲ፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ብኸመይ ምዝባዕ ወርሓዊ ጽግያት ከኸትል ከምዝኽእል ብትኽክል ከረጋግጽዎ ኣይከኣሉን። ብሰንኪ ክታበት ግን ቆልዓ ናይ ዘይምውላድ ጸገም ከጋጥም ከምዘይክእል ይሰማምዑ። ዝተኻየዱ ፈተነታት’ውን ክታበት ደቂኣንስትዮ ኣብ ዝጠንሳሉ ኩነታት ዘምጽኦ ለውጢ ከምዘየለ የረጋግጹ። ብተመሳሳሊ ምስ ፍርያምነት ደቂተባዕትዮ ብዝተሓሓዝ ኣብ ዝተገበረ መጽናዕቲ ክታበት ኣብ ዘርኦም ዘምጽኦ ጽልዋ ዘይምህላዉ የመልክቱ።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58581402"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ብሕጽረት ቐረባት መድሓኒት ዝለምስ ዘሎ ዓይደር ሆስፒታል","content":"ዶክተር ፍረወይኒ ተስፋይ፡ ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል ክኢላ ማህጸንን ጥንስን ኮይና፡ ህይወታን ሞያዊ ባህጋን 'ቅድሚ ኲናት ዶስ ድሕሪ ኲናት?' ናብ ዝብል ተቐይሩዋ ኣሎ። ዶክተር ፍረወይኒ፡ ኣደ ቖልዑን በዓልቲ ሓዳርን ስለ ዝኾነት \"እዚ ኩነታት ቅድሚ ምፍጣሩ ወትሩ ደቀይ ናብ ቤት ትምህርቲ ሰንየ ደስ ኢሉኒ ናብ ስራሕ ይወፍር ነይረ\" ክትብል ትዝክሮ። ከም ሓንቲ ክኢላ ማህጸንን ጥንስን ኣዴታት ድማ፡ ኣብቲ እተገልግለሉ ሆስፒታል ዝሓሸ ሕክምና መጥባሕቲ ንምሃብ፡ ኣብ ቐጻሊ ድማ ኣዴታትን ናይ ምውላድ ጸገም ዘለወን ደቂ ኣንስትዮን ኣገልግሎት ዝረኽባሉ ፍሉይ ማእኸል ንክኽፈት ጻዕሪ ትገብር ነይራ። ድሕሪ እቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ዝቐጸለ ኲናትን ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ዕጽዋን ግን፡ ዶክተር ፍረወይኒ ሓንቲ ካብቶም ሰአን ቀረባት መድሃኒት ኣገልግሎት ሕክምና ንምሃብ ዝጽገሙ ዘለው ክኢላታት ጥዕና ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል ኮይና ዝበዝሕ ግዝኣ ምስ ተሓከምታ ብሓዘን ተሕልፎ ኣላ። \"ሕዚ፡ ካብ ገዛ ክወጽእ ከለኹ ንርእሰይ ወጺአ ከም ዝምለስ ይጠራጠር፣ ደቀይ'ውን ኣብ ገዛ [ብሰንኪ እቲ ደብዳብ ነፈርትን ድሮንን] 'ብሰላም'ዶ ይጸንሑ?' ኢለ ይሰግእ። ናብቲ ዋላ'ውን ኣገዳሲ ዝብሃል ኣገልግሎት [Essential care] ክንህበሉ ዘይንኽእል ናይ ስራሕ ቦታ ድማ መዓልታዊ ብዙሓት ሕማቕ ነገራት ዝርእየሉ ክኸውን ከም ዝኽእል እናሓሰብኹ'የ ዝኸይድ\" ብምባል ተዘንቱ። ሆስፒታል ዓይደር፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብሕታዊ ኣገልግሎት ክህብ ዝኽእል ዝዓበየ ሆስፒታል እቲ ክልል እኳ እንተኾነ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሕጽረት መድሃኒት ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክህብ ኣብ ዘይኽእለሉ ደረጃ ከም ዝበጽሐ ሓካይም ይገልጹ። ኣብቲ ክልል ሰኣን ቀረብ ኣፋውስ ህፃናት ዝርከብዎም ተሓከምቲ ይሞቱ ከም ዘለዉ ዝገልጹ እቶም ሓካይም፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ክልል ዘሎ ዕጽዋ ኣፋውስን ናውታት ሕክምናን ክበፅሖም ከም ዘይከኣለ ንቢቢሲ ሓቢሮም። መንግስትን መራሕቲ ትግራይን ነቲ ኣብ ትግራይ ቀረባት መድሃኒት ሓዊሱ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ዘጋጥም ዘሎ ምትዕንቓፍ ዝምልከት ንሓድሕዶም ክነቓቐፉ'ዮም ዝስምዑ። ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ትካሉ ካብ ዝሓለፈ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ሕክምናዊ ቀረባት ናብ ትግራይ ንምብፃሕ ብተደጋጋሚ'ኳ እንተሓተተ፡ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓድ ከም ዘይተውሃቦ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ ነይሩ። ሚኒስትሪ ኮሚዩኒኬሽን ለገሰ ቱሉ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ \"መንግስቲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንበሮ ዕግታ የለን፤ ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ ንዘጋጠም ዘሎ ምሉእ ብምሉእ ሓላፍነት ናይ ህወሓት'ዩ\" ኢሉ። 'ዝተሓጽበ ጓንት' ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ \"ኣብ ትግራይ ንሓደ ግዜ ጥራይ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ ከም ጓንትን ንመጥባሕቲ ዘገልግሉ ጨርቅን ሓጺብካ ደጊምካ ኣብ ጥቕሚ ይውዕሉ ኣለዉ። እዚ ድማ ንተመሓላለፍቲ ሕማማት ሓደገኛ እዩ\" ምባሉ ይዝከር። ክኢላ ማህጸንን ጥንስን ዶክተር ፍረወይኒ፡ ኣብዘን ቀረባ መዓልታት ናብ ስራሕ ክትኣቱ እንከላ ኣቐዲሙ ኣገልግሎት ሂቡ ዝነበረ ሓኪም ዝጥቀምሉ ጓንት ዳግም ኣብ ረብሓ ንምውዓል ከም ጻዕዳ ነጸላ ተሓጺቡ ኣብ ገመድ ተሰጢሑ'ዩ ዝጸንሓ። ካብዚ ሓሊፉ እቶም ሰብ ሞያ ብፍላይ ኣብ እዋን መጥባሕቲ ዝጥቀምሉ ናይ ጡጥ ጨርቂ ስለ ዝተወድአ ካብ ነበርቲ ጋብን ነጸላን ይእክቡ ምህላዎም ትዛረብ። በዚ ምኽንያት ጨርቂ የለን እናተባህለ መጥባሕቲ ከም ዝስረዝን ሰብ ብቐሊል ነገር ህይወቱ ይሓልፍ ምህላውን እታ በዓልቲ ሞያ ትገልጽ። \"ኣብዚ ግዜ መጥባሕቲ ዘድልያ ኣደ ቀደም ብ60 ብር ትግዛእ ዝነበረት ግሉኮዝ ስለ ዘየላ፡ እናደመየት ጽንሒ ትብሃል። መደንዘዚ ኣይርከብን፣ ጓንት ኮነ ጡጥ የለን። ጓንት ተሓጺቡ'ዩ ዝስጣሕ፤ ናይ ጡጥ ጨርቂ ስኢንና። ተሓጺቡ ኣብ እዋን መጥባሕቲ ንክንጥቀመሉ ጋቢ ገዛ ንገዛ'ዩ ዝዋጻእ ዘሎ፤ ኣዴታት ነጸልአን ይህባ ኣለዋ . . . ኣዝዩ የሕምም\" ትብል። ምስ'ዚ ብዝተሓሓዝ፡ ቑጽሪ መዓልቶም ከይኣኸለ ዝውለዱ ከም ዝወሰኸ፣ ትሕቲ ዓቐን ዝኾኑን ተፈጥሮኣዊ ጸገም ዘለዎምን ዕሸላት ይውለዱ ከም ዘለውን ኣብ ውሽጢ ማህጸን ኣዲኦም እንከለው ዝሞቱ ምህላዎምን እታ ክኢላ ተረድእ። ኣብቲ ክልል ዝተማልአ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ብዘይምህላው ድማ እቶም መዓልቶም ከይኣኸለ ዝተወልዱ ህጻናት ሙቐትን ኦክስጅንን ንክረኽቡ ኣጸጋሚ ብምዃኑ ናይ ሞት ሓደጋ የጋጥሞም ከም ዘሎ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሓካይም እቲ ሆስፒታል ገሊጾም። ብቐንዱ ኣብቲ ኲናት መብዛሕትአን ታሕተዎት ትካላት ጥዕና ብምዕናወን ቑጽሪ እቲ ሪፈራል ሆስፒታል ዘተኣናግዶም ሕሙማት ከም ዝበዝሐ ዝጠቅስ ዶክተር መሓመድ ሙስጦፋ፡ ህጻናት ዚያዳ ተቓላዕቲ ምዃኖም ሓቢሩ። ምስቲ ዘሎ ኩነታት ብርክት ዝበሉ ህጻናት ክወስዱዎ ዝግባእ ክታበት ንልዕሊ ዓመት ብዘይምውሳዶም ቐልጢፎም ብቐለልቲ ሕማማት ክልከፉ ዝርኣይ ኮይኑ፡ ሕጽረት መግቢ እቲ ዝዓበየ ጸገም ምዃኑ ይጠቅስ። ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብኸቢድ ዝተሓላለኸ ሕጽረት መግቢ ዝተጠቕዑ ኣስታት 170 ህጻናት ኣብቲ ሆስፒታል ሕክምናዊ ናብዮት ከም ዝተገብረሎም ብምሕባር እቲ ጸገም ብሰለስተ ዕጽፊ ዝወሰኸ ምዃኑ ተዛሪቡ። ትካል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት [ዩኒሴፍ] ኣብ ወርሒ ሓምለ 2021 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 100 ሽሕ ህጻናት ትግራይ ብሰንኪ ሕጽረት ግቡእ ኣመጋግባ ህይወቶም ክስእኑ ከም ዝኽእሉ ኣጠንቂቑ'ዩ። ብተወሳኺ 47 ሚኢታዊት ነፍሰ ጾርን ዘጥቡዋን ኣዴታት ብሕጽረት መግቢ ከም ዝተጠቕዓ ክገልጽ እንከሎ፡ ምስ ጥንሲ ዝተሓሓዝ ጸገማት ከጋጥመን፣ ኣብ እዋን ሕርሲ ሞት ኣዴታት ከምኡ'ውን ትሕቲ ዓቐን ዝኾኑ ህጻናት ምውላድ ከጋጥም ከም ዝኽእል ጠቒሱ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም'ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ብሰንኪ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝህቦ ዝነበረ ረዲኤት ከቋርጾ ከም ዝግደድ ከጠንቅቕ እንከሎ ብሰንኪ እቲ ወግእ ኣገዳሲ ረዲኤትን መሳርሒ ሕክምናን ናብቲ ከባቢታት ከሕልፍ ከም ዘይክኣለ ሓቢሩ ነይሩ። \"መግቢ፣ ነዳዲ፣ ገንዘብ የለን . . . ተኸዚኑ ዝጸንሐ ብሕጽረት መግቢ ንዝሳቐዩ ህጻናትን ደቂ-ኣንስትዮን ተባሂሉ ዝተሰርሐ ዝተደረዐ መግቢ'ውን ተወዲኡ'ዩ። እቲ ዝተረፈ እኽሊ፣ ጥረምረን ዘይትን ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ክዕደል'ዩ\" ክብል እቲ ኩነታት ኣዝዩ ዘሰክፍ ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ ክሊ እዚ፡ ብሰንኪ ሕጽረት መድሃኒት ብቐሊሉ ክድሕኑ ዝኽእሉ ሕማማት ሞትን ጉድኣትን የስዕቡ ኣለው ዝብል ዶክተር መሓመድ፡ \"ኣብ ኢድና ዘሎ ቐረብ ተወዲኡ ሕዚ ብፍርሒ ተዋሒጥና፤ ኣማራጺ ብምስኣን ግዝኡ ዝሓለፎ መድሃኒት ንህብ ኣለና። ንሓኪም፡ ብቐሊሉ ክግነዩ ዝኽእሉ መድሃኒት ብዘይምርካቦም ዝጉድኡ ህጻናትን ኣዴታትን ምርኣይ ከቢድ እዩ\" ኢሉ። ኣብ ትግራይ ክሳብ ሕጂ መሰረታዊ ኣገልግሎታት መብራህቲ፣ ስልኪ፣ መጓዓዝያ፣ ባንክን ካልእን ተቛሪጾም ብምህላዮም፡ እቶም ሓካይም መሰረታዊ ቐረባት ምርካብ ዝከኣለሉ ዕድላት ክመቻቾን ስሩዕ ሕክምናዊ ናብዮት ምሃብ ዘኽእሎም ቐረባት ክረኽቡን ተማሕጺኖም። ትማሊ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተሬስ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ሰላማዊ ፍታሕ ክርከቦ ተስፋ ከም ዝረኸበ ብምግላጽ ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ንሰላም ዕድል ዝህብ ግብራዊ ጻዕርታት የካይዱ ኣለዉ ክብል ከም ዝገለጸሉ ሓቢሩ። ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ድማ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክገብሩ ጸዊዑ። እንተኾነ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መዋስንቲ ከባቢታት ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ጎንጺ ክረአ ጸኒሑ'ሎ። ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ምዕራብን ሰሜናዊ-ምዕራብን ትግራይ ዝተፈጸመ ተኸታታሊ ደብዳብ ነፈርቲ ልዕሊ 100 ሰባት ከም ዝቐተለን ብሰንኩ ንጥፈታት ሰብኣዊ ረዲኤት ከም ዝተቛረጸን ትካላት ረዲኤት ገሊጸን ነይረን። ነቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወለዐን፡ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝለሓመን ኲናት ሕድሕድ ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት ክሳብ ሎሚ ዝጭበጥ ፍረ ኣየፍረየን።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60063074"} {"headline":"ደቂ ኣንስትዮ፡ ሩስያ ኣእዳዋ ንዝተቖረጸት ሰበይቲ ካሕሳ ክትከፍል ተኣዚዛ","content":"ሩስያ ብበዓል ቤታ ኣእዳዋ ንዝተቖረጸት ሰበይቲ ናይ 315 ሽሕ ፓውንድ ካሕሳ ክትከፍል ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ ኣዚዙ፡፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸሙ ዘቤታዊ ዓመጻት ክትከላኸል ከምዘይከኣለት ዝገለጸ እቲ ቤት ፍርዲ፡ ጫካነ ዝተመለኦ ጥቕዓት ንዝተፈጸመን ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ክትክሕስ ኣዚዙ፡፡ ተመሳሰልቲ በደላት ደው ንምባል እታ ሃገር ቀልጡፍ ምምሕያሽ ክትገብር'ውን እቲ ቤት ፍርዲ ሓቢሩላ ኣሎ፡፡ ኣብ 2017 በዓል ቤታ ናብ ጫካ ወሲዱ ኣእዳዋ ብፋስ ዝቖረጻ ማርጋሬታ ግራቼቫ ካብተን ኣርባዕተ ሓንቲ እያ፡፡ ንሳ ብዛዕባ ጎነጸኛ ባህርያት በዓል ቤታ ኣቐዲማ ንፖሊስ እኳ እንተሓበረቶም፡ ንሳቶም ግን ዕሽሽ ኢሎምዋ፡፡ ጸጋማይ ኢዳ ካብቲ ጫካ ተኣልሹ ደጊሙ ተሰፍዩ ክጣበቕ ዝተገበረ ኮይኑ፡ ኣብ የማን ድማ ለገስቲ ብዘተኣኻኸብዎ ሓገዝ ሰብ ዝሰርሖ ኢድ ተገጢሙላ፡፡ ነቲ በደል ዝፈጸመላ በዓል ቤታ ነበር ዲሜትሪ ግራቸቭ ድማ ን 14 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ፡፡ እቲ ኩነታት ሰበስልጣን ሩስያ ገበን ምስተፈጸመ እምበር ኣቐዲሞም ከምዘይከላኸሉ ዘመላኽት እዩ ይብል ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ፡፡ ኣብ 2017 ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዘቤታዊ ጥቕዓት ንዝፍጽሙ ሰባት ዝወሃብ መቕጻዕቲ ዘቕልል ሕጊ ፈሪሙ ነይሩ፡፡ እቲ ተበዳሊ ናብ ሆስፒታል ዘየብጸሖ እንተዳኣኮይኑ፡ እቲ በደል ከም ገበን ዘይቑጸርን መቕጻዕቱ እውን ዝወሓደን እዩ፡፡ ናታልያ ቱኒኮቫ፣ የለና ገርሻምን ኢሪና ፐትራኮቫን ብመንግስቲ ሩስያ ካሕሳ ክወሃበን ዝተወሰነለን ከልኦት ደቂ ኣንስትዮ እየን፡፡ ሜሪ ዳቭትያን ዝተባህለት ሓንቲ ጠበቓ እተን ግዳያት ‘‘ተዓዊትና’’ ክትብል ኣብ ፌስቡክ ጽሒፋ፡፡ ‘‘እታ ሃገር ኣብ ጉዳይ ዘቤታዊ ጥቕዓት ስጉምቲ ክትወስድ ብዘይምኽኣላ፡ እዘን ደቂ ኣንስትዮ፡ ጉድኣት በጺሕወን እዩ’’ ኢላ፡፡ ቅድም ክብል እተን ደቂ ኣንስትዮ ካሕሳ ክኽፈለን ንዘቕረበኦ ሕቶ ሩስያ ነጺጋቶ ነይራ፡፡ ምክትል ሚኒስተር ፍትሒ ሩስያ ሚክሄል ጋልፐሪን፡ እታ ሃገር ውልቀ ሰባት ንዝፈጸምዎ ዘቤታዊ ዓመጽ ተሓታቲት ክትከውን የብላን ኢሉ፡፡","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59663685"} {"headline":"መዓልቲ ውሑስ ምንጻል ጥንሲ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዙርያ ምንጻል ጥንሲ ዘጋጥመን ጸገማት","content":"ምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ'ዶ ክኸውን ኣለዎ? ክሳብ ሕጂ ዓለም ዘካትዕ ዘሎ ሕቶ'ዩ። ግዝኣት ኣመሪካ ዝኾነት ቴክሳስ፡ ካብዚ ወርሒ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ሽዱሽተ ሰሙናት ዝሓለፎ ጥንሲ ምንጻል ሕጋዊ ኣይኸውንን ዝብል ሕጊ ኣጽዲቓ ኣላ። ብኻልእ ወገን ሜክሲኮ ኣብ ቀረባ ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ኮዊላ ምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ ገይራ እያ። ፕሬዝደንትን ኣባል ቦርድን ኢፓስ ዝተባህለ ኣብ ኣመሪካ ማእኸሉ ዝገበረ ጉጅለ መሰላት ምርባሕ ኣኑ ኩማር \"ምንጻል ጥንሲ ወትሩ ሓደገኛ'ዩ\" ትብል። እንተኾነ ሕጂ ብዙሓት ነገራት ኣብ ትኽክለኛ መገዲ'ዮም ዘለው ብምባል \"ካብ 1994 ጀሚሩ ልዕሊ 40 ሃገራት ሕግታት ምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ ክኸውን ገይረን'የን\" ኢላ። ኣብዚ ዙርያ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ክትዕ ምንጻል ጥንሲ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ዝሓልፍኦ ጉዳያት ብሚስጢር'የን ዝሕዝኦ። ሎሚ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ውሑስ ምንጻል ጥንሲ'ዩ። ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ ጥንሲ ኣብ ዝንጽላሉ ግዜ ዘጋጠመን ንቢቢሲ ኣካፊለን ኣለዋ። እዘን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ታሪኸን ዘካፈላ ደቂ ኣንስትዮ ንስለ ድሕነተን ሽመን ክቕየር ተገይሩ'ዩ። 'ሽዓ . . . ኣቦ ወደይ ክኸውን ከም ዘይደልዮ ፈሊጠ' ሳንድራ ባንግኮክ ሳንድራ፡ ናይ ሸሞንተ ሰሙናት [ክልተ ወርሕን ክልተ ቕነን] ድቂ ምስ ሓዘት'ያ ሰብነታ ይቀያየር ምህላው ፈሊጣ። ተመርሚራ፤ ድቂ ምዃኑ ኣረጋጊጻ። \"ሽዑ'የ፡ እቲ ዝጠነስኩሉ ሰብ ኣቦ ወደይ ክኸውን ከም ዘይደልዮ ፈሊጠ። ናይ 'ጾታዊ ርክብ መሓዛይ' እዩ ነይሩ፤ ኣነ'ውን ንቕድመይ ብዙሕ ክኸዶ ዝደሊ ርሕቐት ነይሩ\" ትብል። ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ታይላንዳ 'ታምታንግ' ዝተባህለ ብዛዕባ ውሑስ ምንጻል ጥንሲ ዝርከበሉ ኣገባብ ሓበሬታ ዝህብ ጉጅለ ከም ዘሎ ፈሊጣ። ሓግዙኒ ኢላቶም። \"እቲ ክሊኒክ ረኺበዮ፤ ግን ቅድሚ እታ ጥንሲ ዝንጽለላ መዓልቲ ኣዝዩ ብርቱዕ ጭንቂ ተሰሚዑኒ\"። ክሳብ ቀረባ ግዜ፡ ኣብ ታይላንድ ብጾታዊ ዓመጽ ወይ ካብ ቀረባ ዘመድ ዘጋጠመ እንተኾይኑ ከምኡ'ውን ጥዕና እታ ኣደ ኣብ ሓደጋ እንተሃልዩ ጥራይ ምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ ኣይኮነን። ሳንድራ፡ ምንጻል ጥንሲ ዘይሕጋዊ እናሃለወ እያ ብ2019 ወሲና። \"ጾታዊ ዓመጽ'ዩ በጺሑኒ'ዶ ክብሎም ዋላስ ከዕብዮ ኣይኽእልን ኢለ መሽከንከን ክብል ብዝብል ሓሳባት ተወጢረ ነይረ። ኣብ ርእሰይ ብዙሕ ሓሳባት ይመላለስ ነይሩ\" ትብል። ሓደ መዓልቲ፡ ብዛዕባ እቲ ዘጋጥማ ዝነበረ \"ጸቕጢ ኣእምሮ\" ዝገልጽ መሕትት መሊኣ። ጓል 27 ዓመት ምዃናን እኹል እቶት ከም እትረክብን እንተተፈሊጡ ነዚ ውሳንኣ ከበርዕኖ ይኸውን'ዶ ብዝብል ትሻቐል። \"በይነይ ስለ ዝነበርኩ፡ ኩሉ ሰብ ዝፈርደኒ ዘሎ ይመስለኒ ነይሩ። ኣብ ባህልና ምስ ምንጻል ጥንሲ ተተሓሒዙ ብዙሓት እምነታት ስለ ዘለው ንመሓዙተይ'ውን ኣይነገርኹወንን። ካልእ ይትረፍ ጓል ኣንስተይቲ ጥንሲ እንተነጺላ ዝተረፈ ዕድሚኣ መንፈስ ዝኾነ ቖልዓ ሓዚላ'ያ ትነብር ዝብል ብቴሌቪዥን ዝመሓላለፍ መደብ ኣሎ\" ትብል። ይኹን'ምበር፡ ኣብቲ እዋን ናብቲ መጥባሕቲ ዝካየደሉ ክፍሊ ክትጽዋዕ እንከላ እቲ ጭንቅታት ፍኹስ ኢሉዋ። \"ኩሉ ነገር ኣብ ውሽጢ 15 ደቒቕ ተወዲኡ፤ ቁሩብ ዕረፍቲ ድሕሪ ምግባር ናብ ስራሕ ከይደ። ንነብሰይ ጸገም የብሉን ኢለ ከጸናንዓ ይፍትን ነይረ። ግን ድማ ኣንጻር ምንጻል ጥንሲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝወሃቡ ርኢይቶታት ይርበሽ\" ኢላ። እንተኾነ ሓደ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ሰብነተን ዝምልከት ድላይ ክውስና ሙሉእ መሰል ክረኽባ'የን ዝብል ተስፋ ኣለኒ ዝበለት ሳንድራ፡ \"ዋላ'ውን እቲ ሕግታት እንተፎኸሰ ሕጂ'ውን ቖሪኑ ዝሕዘና ብዙሕ ምጥቑቛም ኣሎ\" ትብል። ኢሪን፡ ጓል 28 ዓመት ኮይና ንፈለማ እዋን ጥንሲ ክትንጽል እንከላ፡ ኣብ ቀረባ ዝገበረቶ ድማ ጓል 35 ዓመት ምስ ኮነት'ዩ። 'ብዙሕ' ጥንሲ ምንጻል ኣነ ጥራይ ዝገብሮ ዘይተለመደ ነገር ይመስለኒ ነይሩ። ይኹን'ምበር ተሓላቒት ምንጻል ጥንሲ ኮይነ ምስራሕ ምስ ጀመርኩ ብዙሕ ጥንሲ ምንጻል ልሙድ ምዃኑ ተማሂረ\" ትብል። ኣብ ኣመሪካ'ያ ትነብር። ክሳብ ሕጂ ግን እዚ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዝሓንካሉ ወይ ዝሓፍራሉ ከም ዝኾነ ትዛረብ። \"ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ምውጋዕ መሕፈሪ'ዩ- ዋላ'ውን ኣብቲ ሰጓማይ ወይ ናጻ ኣተሓሳስባ ኣለዎም ዝብሃሉ ጉጅለታትን ተሓለቕቲ መሰላትን ። እዚ ኣብ ቐረባ ክልወጥ ተስፋ ይገብር\" ኢላ። ኢሪን፡ ኣብ ኣመሪካ ምስ ዝርከብ 'Shout Your Abortion' ዝተባህለ ትካል እያ ትሰርሕ። እዚ ብዛዕባ እቲ ዝሓለፈቶ ተሞክሮ ዓው ኢላ ክትዛረብ ከም ዝሓገዛ ትዛረብ። \"ኣብዚ ምስራሕ ምስ ጀመርኩ ንዓይ ዓብዪ መቐይሮ ነይሩ፤ 'ምንጻል ጥንሲ' ዝብል ቃል'ውን እየ ካብ ኣፈይ ከውጽኦ ዘይኽእል ነይረ። ሕጂ ብግልጽነት ፍኹስ ኢሉኒ'የ ዘውግዕ\" ኢላ። እንተኾነ፡ ኣብ ውሽጢ ምንጻል ጥንሲ ዘይቕበል ማሕበረሰብ'ያ ዓብያ። \"ጥንሲ ክንጽል እንከለኹ ሓፊረን ተሸማቒቐን ስለ ዝነበርኩ ንስድራይ ኮነ ንመሓዙተይ ኣይተዛረብኹን። ብፍላይ መጀመርታ ምስ ነጸልኩ ድሕሪኡ ሓገዝ ክሓትት ኣይክኣልኩን\"። ኢሪን፡ ወርሓዊ ጽግያት ጠጠው ምስ ኣበለ ድቂ ከም ዝሓዘት ንምፍላጥ ኣይተጸገመትን። ንምንጻል ንምውሳን'ውን ከምኡ። \"ኣደ ክኸውን ኣይደልን፤ ኣብ ዝኾነ እዋን ቖልዓ ከዕቢ ኣይደልን\" ትብል። ወሲኻ፡ \"ምንጻል ጥንሲ ዳርጋ ንኹሉ ኣጸጋሚ ከምኡ'ውን ቁስላዊ ውሳነ ምዃኑ ኣብ ልዕሊ ጎስጓሳት መሰላት ምርባሕ ብዙሕ ጉድኣት ኣስዒቡ'ዩ\" ብምባል ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ ብሕታውነትን ከም ዝስዕር ተረድእ። ይኹን'ምበር፡ \"መብዛሕትና ዘለና ተሞኩሮ ምንጻል ጥንሲ ክንዛረብ እንከለና ሕብረተሰብና እናጠንከረ፡ እቲ ዝስዕብ ምሽምቓቓት ድማ እናሃሰሰ'ዩ ዝኸይድ። ብኸምዚ ኢና ንሓድሕድና ክንተሓጋገዝ እንኽእል\" ኢላ። 'ሕፍረትን ካብ ሕብረተሰብ ተነጽሎን ክስምዓኒ ገይሩ' - ኢንዱ \"ጓል 31 ዓመት ነይረ፤ ቴሌፎነይ ጠፊኣ ሓድሽ ክዕድግ ምስ ወጻእኹ ዝርብሽ ስምዒት ተሰሚዑኒ። ሽዑ እቲ መጻምደይ መርመራ ጥንሲ ግበሪ ኢሉኒ\" ትብል ኢንዱ። ጥንስቲ ምዃና ፈሊጣ፤ ክትንጽሎ ምዃና'ውን ርዱእ ነይሩ። \"ብሞያ ኪነ ጥበብ ገና ስራሕ ዝጀመርኩሉ ግዜ'ዩ፤ መጻምደይ'ውን ኣብ ተመሳሳሊ ዓውዲ ነይሩ\"። ናብ ክኢላ ማህጸን ብምኻድ ከኒና ተጠቒማ 'ብቐሊሉ' ክተወግዶ ከም ዝኽኣለት ትዛረብ። እቲ ዝኸብድ ድሕሪኡ ዝጽዓዐነካ ስምዒታትን ስክፍታታትን'ዩ። \"ብምኽንያት እቲ ኣብ ዙርያ ምንጻል ጥንሲ ዘሎ ምሽቑራር፡ ናተይ ከቢድ ሚስጢር ነይሩ። እዚ ከኣ ስምዒት ማሕበራዊ ተነጽሎ ክሓድረኒ ገይሩ። ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ ዘጋጠመኒ መድመይቲ'ውን ኣፍሪሑኒ። ብዙሕ በኽየ\" ትብል። ኣብ ህንዲ ምንጻል ጥንሲ ካብ እትሓንከሎም ጉዳያት ሓደ'ዩ። ኢንዱ ዋላ'ውን ምስ መጻምዳ ተሰማሚዖም ዝወሰኑዎ እንተኾነ \"ብኣካላውን ስነ ልቦናውን መዳይ ንብሕተይ ይገጥሞ ምንባረይ ግን ኣሕሪቑኒ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ጭንቀት መዐገሲ መድሃኒት ክወስድ ጀሚረ\" ኢላ። እዚ ነቲ ምስ መጻምዳ ዝነበራ ፍቕራዊ ርክባት ከም ዝጸለዎ ትዛረብ። ንነዊሕ እዋን እውን ጾታዊ ርክብ ክትገብር ትሰግእ ነይራ። \"ንድሕሪት ተመሊሰ ክሓስቦ ከለኹ፡ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ብግልጽነት ዝዛረበሉ ዕድል እንተዝረክብ ነይረ ህይወተይ ካልእ ምመሰለ ነይሩ ኢለ ይግምት\" ትብል። ጆሲሊን፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ወርሐ ካልኣይ ውላድ ተገላጊላ። \"መጀመርታ፡ ኣብ ከባቢ ኣጥባተይ ምርሃጽ፣ ናይ መግቢ ሸውሃት ምስኣንን ድኻምን ዝበሉ ምልክታት ተራእዮምኒ\" ትብል። በዚ ከም ዝጠነሰት ስለ ዝፈለጠት ክትንጽሎ ወሲና። \"ኣብዚ ኩነታት ጥዕና ውላደይ ቀዳምነት ዝሃብኩዎ ጉዳይ'ዩ። ፈሪሐ ነይረ፤ ግን ድማ በዓል ቤተይ ኣተባቢዑኒ ክሓልፎ ክኢለ\"። ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ክትዓቢ እንከላ፡ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ክውጋዕ ሰሚዓ ኣይትፈልጥን። \"ኣብዚ ዓዲ ከም ሓጢኣት ስለ ዝቑጸር ከም ዓብዪ ሚስጢር'ዩ ዝትሓዝ። ሰባት እንተሰሚዖም ግን፡ እታ ጥንሲ ዝነጸለት ጓል ኣንስተይቲ ሰብ ንከይረኽባ ትሕባእ\" ኢላ። እዚ ኣገባብ ብበዓል ሞያ ሕክምና ክውገን ከም ዘለዎ ትኣምን። \"ውሳነይ ስለ ዘይተቐበሎ [ዶክተር] ብዙሕ ማዕዳ ለጊሱለይ፤ ኣነ ግን ተማሒጺነዮ\" ዝበለት ጆሲሊን ኩሉ ብሚስጢር ንክትሓዘላ ኣብ ገዝኣ ክውገን ትውስን። \"ቅድሚ ሕጂ ገይረዮ ስለ ዘይፈልጥ ብጣዕሚ ፈሪሐ። እቶም ነርሳት ሓጊዞምኒ ኩሉ ምስ ተዛዘመ ዕረፍቲ ተሰሚዑኒ\" ኢላ። ጆሲሊን ጓል 31 ዓመት እናሃለወት'ያ ጥንሲ ነጺላ። \"ካልእ ጥንሲ ከየጓንፍ መከላኸሊ ይወስድ ኣለኹ፤ እቲ ዝሓለፍኹዎ ዳግም ንከየጋጥም ዓርሰ እምነት ኮይኑኒ ኣሎ\" ትብል። 'ደቂ ኣንስትዮ ናጻ ክኾና'የን ዝብል ሕልሚ ኣለኒ' - ማሪያ ማሪያ* ጥንሲ ክትንጽል ኣብ ቅድሚት ዶክተር ከፍ ምስ በለ ሓደ ነገር ንርእሳ ከንኪኑዋ። 'ምንጻል ጥንሲ ቕትለት ነፍሲ ክዘርእ ዝጀመረ ፍጡር'ዩ' ዝብል ኣተሓሳስባ ሒዛ ስለ ዝዓበየት፡ ማሪያ ጓል 35 ዓመት ምስ ኮነት ጥንሲ ክትንጽል ግድን ኮይኑ። \"ሽዑ እቲ ዶክተር ኩሉ ነገር ልክዕ ከምቲ ንኻልኦት ሕማማት ዝወሃብ ሕክምና'ዩ ኢላ ስለ ዘረድአትኒ ብዙሕ ነገራት ተቐይሩ። ኣይገሰጸትን፣ ሓላፍነት ዘይስምዓ ሰብ ኣይበለትንን። ግን ድማ ኣብ ዙርያ ምንጻል ጥንሲ ዘሎ ምሽምቓቕ ተረዲአ\" ትብል። ኣብ ሜክሲኮ ምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ እንተኾነ'ውን ውሑስ መገዲ ክትረክብ ግን ኣጸጋሚ'ዩ ትብል። እቲ ኣገልግሎት ኣብ ናይ ውልቂ ትካላት ሕክምና ኣዝዩ ክቡር ክኸውን ይኽእል'ዩ፤ ንሳ ግን ብዙሕ ሰብ ክፈልጥ ስለ ዘይደለየት ናብ መንግስታዊ ትካላት ከይዳ። \"ስድራይ ብዛዕባ እዚ ኣይፈልጡን፤ እንታይ ከም ዝብሉ'ውን ኣይፈልጥን . . . ግን ድማ ንኣደይ ሓዊሱ ከቢድ ክኸውን ከም ዝኽእል ርግጸኛ'የ\" ኢላ። ንኡሽቶ ሓፍታ፡ ጓል 14 ዓመት እናሃለወት ምስ ጠነሰት ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ምስ ስድራቤት ክውጋዕ ከም ዝጀመረ ትዝክር። \"ሽዑ ኣዝዮም ሓሪቖም ስለ ዝነበሩ፡ ድሕሪኡ ኣልዒለዮ ኣይፈልጥን\"። ንርእሳ፡ ጥንሲ ክትንጽል ክትውስን እንከላ ተጨኒቓ ስለ ዝነበረት ንበዓል ቤታ ሒዛ'ያ ናብ ሕክምና ከይዳ። \"30 ደቒቕ ወይ ትሒቱ'ዩ ዝወስድ። ንዘልኣለም ዓብዪ ጸገም መሲሉ ዝስምዓኒ ዝነበረ ነገር ኣብ ዝሓጸረ ሰዓት ተቐሪፉ ክርእዮ እንከሎ ንዓይ ንክኣምኖ ከቢድ ነይሩ\" ትብል። ሕጂ ጓል 38 ዓመት'ያ። ቖልዓ ይደሊ ድየ ኣይደልን ብዛዕባ ዝብል ግን ርግጸኛ ኣይኮነትን። \"ኣብዚ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ዓለም ኣቦን ኣደን ምዃን እንታይ'ዩ ምዃኑ ስለ እንግንዘብ ኣነን በዓል ቤተይን ይትረፈና ኢልና ወሲንና። ሓደ እዋን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህይወትና ብዛዕባ ዘጋጥመና ነገር ብናጻነት ንክንመርጽ ዕድል ክንረክብ፣ ኣብ መላእ ዓለም ጋህዲ ክኸውን ተስፋ ይገብር\" ኢላ።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58674779"} {"headline":"ኣብ መላእ ኣመሪካ መሰል ምንጻል ጥንሲ ዝድግፉ ሰልፊታት ተኻይዶም","content":"ንመሰል ምንጻል ጥንሲ ዝድግፉ ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ 50 ግዝኣታት ኣመሪካ ሰልፊ ኣካይዶም፡፡ እቶም ሰልፊታት ግዝኣት ቴክሳስ ምንጻል ጥንሲ ኣዝዮም ዝድርቱ ሓደሽቲ ሕግታት ምውጻኣ ስዒቡ ዝተልዓሉ እዮም፡፡ ምንጻል ጥንሲ ዝድግፉ ኣመሪካውያን ሕገ መንግስታዊ መሰሎም ከይሕደጉ ስግኣት ሓዲርዎም ኣሎ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ፡ ነቲ ብ 1973 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ዝወጸ ኣብ መላእ እታ ሃገር ምንጻል ጥንሲ ዘፍቀደ ሕጊ ከፍርስ ዝኽእል መስርሕ ፍርዲ ክሰምዕ እዩ፡፡ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ‘‘ምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ ይኹን’’ ዝብል ጭርሖ ዝሓዙ ሰልፈኛታት ኣብ ቅድሚት ህንጻ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ድምጾም ኣስሚዖም፡፡ ምንጻል ጥንሲ ዝቃወሙ ካልኦት ሰባት ድማ ነቶም ሰልፊታት ንምትዕንቓፍ ተንቀሳቒሶም ነይሮም፡፡ ዋሽንግተን ፖስት ከምዝሓበሮ ሓደ ሰብኣይ ‘‘ናይቶም ንጹሃት ህጻውንቲ ደም ኣብ ኢድኩም ኣሎ’’ ብምባል ነቶም ሰልፈኛታት ክቃወም ተሰሚዑ፡፡ እቶም ሰልፈኛታት ግና ደቂ ኣንስትዮ ዝደልየኦ ናይ ምምራጽ መሰለን ክሕሎ ብዝብል ከምዝተሰለፉ እዮም ዝገልጹ፡፡ ሓንቲ ካብቶም ምንጻል ጥንሲ ዝድግፉ ሰልፈኛታት ‘‘ብኣጋጣሚ ኣነ ጥንሲ ዝንጽለሉ ኩነታት ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን፤ እንተኾነ ካልኦት ከምኣማራጺ ዝደልየኦ ኣለዋ እየን፡፡ ብሱሩ ግን ኣብ ጉዳይ ነብስና ደቂ ተባዕትዮን መንግስትን ክውስኑ መሰል የብሎምን’’ ክትብል ንወኪል ዜና ሮይተርስ ተዛሪባ፡፡ ኣብ ክልተ መድረኻት ሰልፊ ተረኺባ ዘረባ ዘስመዐት ኣመሓዳሪት ግዝኣት ኒውዮርክ ካቶ ሆቹል እውን መሰል ምንጻል ጥንሲ ‘‘ኣብታ ሃገር ዝተረጋገጸ መሰል እዩ፤ እዚ መሰልና ሎሚ ይኹን ጽባሕ ኣይክትምንጥሉናን ኢኹም’’ ክትብል ተሰሚዓ፡፡ ፖለቲከኛታት እተን ብሪፐብሊካን ዝዕብለላ ግዝኣታት ኣብ ምንጻል ጥንሲ ክልከላ ክግበር እዮም ዝደልዩ፡፡","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58778493"} {"headline":"ማውሪሸስ፡ ሓደ ናጽላ ኣብ ውሽጢ ነፋሪት ኣብ ዝርከብ ናይ ሽቓቕ መጉሓፊ ተደርብዩ ተረኺቡ","content":"ኣብ ማውሪሸስ፡ ሓደ ናጽላ ህጻን ኣብ ውሽጢ ነፋሪት ኣብ ዘሎ መጎሓፊ ተደርብዩ ተረኺቡ። እቲ ህጻን ብሰራሕተኛታት መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ሽቓቕ ናይታ ነፋሪት ከምዝተረኽበ ተገሊጹ። ነቲ ህጻን ወሊዳ ብምድርባይ ዝተጠርጠረት ሓንቲ ጓል 20 ማዳጋስካራዊት ኣብ ቀይዲ ኣትያ'ላ። እቲ ብህጹጽ ናብ ሆስፒታል ዝተወስደ ህጻን ኣብ ጸቡቕ ኩነታት ከምዘሎ ተፈሊጡ። ሰራሕተኛታት ጉምሩክ ኣብታ ነፋሪት ንቡር ናይ ምፍታሽ ንጥፈታቶም ኣብ ዘካይድሉ ዝነበሩ እዋን'ዮም ነቲ ህጻን ክረኽብዎ ኪኢሎም። እታ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ማውሪሸስ ዝኾነት ነፋሪት ኣብ ሓድሽ ዓመት ካብ ማዳጋስካር ናብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሲዉሳጉር ራመጉላም ዝኣተወት'ያ ነይራ። ኣብ መጉሓፊ ተደርብዩ ምስረኸብዎ ድማ ብህጹጽ ናብ ሆስፒታል ወሲዶሞ። እታ ኣዲኡ ክትከውን ከምእትኽእል ተጠርጢራ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወት ውልቀሰብ፡ ፈለማ ናታ ከምዘይኮነ'ያ ተዛሪባ። ብዝተገብረላ መርመራ ግን፡ ኣብቲ እዋን ሓራስ ምንባራ ተረጋጊጹ። ኣብ ሆስፒታል፡ ኣብ ትሕቲ ምክትታል ፖሊስ ኣትያ ክትጸንሕ ድማ ተወሲኑ። ንሳን እቲ ናጽላን ድማ ኣብቲ ሆስፒታል ኣብ ጸቡቕ ኩነታት ጥዕና ከምዝርከቡ ሓካይም ሓቢሮም። እታ ኣደ'ቲ ናጽላ ከምዝኾነት ዝተጠርጠረት ሰብ፡ ጓል ሃገረ ማዳጋስካር ኮይና፡ ናይ ማውሪሸስ ናይ ክልተ ዓመት ናይ ስራሕ ፍቓድ ዘለዋ'ያ። ካብ ሆስፒታል ወጺኣ፡ ናጽላ ብምድርባይ ክሲ ቀሪቡላ ናብ ፍርዲ ክሳብ ትቐርብ ከትምርመር ምዃና ኸኣ ተፈሊጡ'ሎ።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59862638"} {"headline":"ስነ ጥበባዊ ክሪስ ብራውን ንሓንቲ ጓል 'ብምዕማጹ' 20 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል ተሓቲቱ","content":"ኣመሪካዊ ስነ ጥበባዊ ክሪስ ብራዉን ንሓንቲ ጓል ኣነስተይቲ እጸፋረስ ብምሃብን ብተግባር ጾታዊ ዓመጽን ክሲ ዝተመስረተሉ ኮይኑ 20 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል ተሓቲቱ። ድምጻዊ ክሪስ ብራዉን ዝተኸሰሰሉ ገበን ቅድሚ ሓደ ዓመት ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ማያሚ ፍሎሪዳ ኣብ ሓንቲ መዛነይት ጀልባ ከምዝተፈጸመ ተገሊጹ። ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ጸብጻብ ዝሰርሐ ‘ሬድዮ ዋን ኒውስቢት’ ካብ ማናጀራት ክሪስ ብራዉን ርእይቶ ንምርካብ ዝገብሮ ጻዕሪ ዛጊድ ኣይሰመረን’ሎ። ክሪስ ብራዉን ኣብ ኢንስታግራም ምላሽ ንምሃብ ዝፈተነ ኮይኑ እቲ ዝቐረበሉ ክሲ ሓድሽ ናይ ሙዚቃ ኣልበም ክለቅቕ ምስ ምዃኑ ተጎዛጕዙ ዝመጽአ ከምዝኾነ ኣተንቢሁ። “እዚ ብተደጋጋሚ ዝኽሰት ዘሎ ነገር ኩላትኩም ተስተውዕልዎ ከምእትህልዉ ተስፋ እገብር። ኩሉሻብ ሓድሽ ሙዚቃ ወይ ከዓ ፕሮጀክት ከንቅል እንከለኹ” ዘጋጥም ነገር ከምዝኾነ ዘመላኽት ጽሑፍ ጠቂዑ። እቲ ክሲ ክሳብ ሕጂ መንነቱ ብዘይተፈልጠ ሙዚቀኛን በዓል ሞያ ትልሂትን ከምዝኸነ ዝተገለጸ ኮይኑ ኣብ ሕጋዊ ሰነዳት ግን “ጄን ዶ” ብዝብል ሽም ይጥቀስ። ክሪስ ብራዉን ዝቐረበሉ ክስታት ሓሙሽተ ኮይኑ ጾታዊ መጥቃዕቲ፣ ሕጊ ጸረ ጾታዊ መጥቃዕቲ ምጥሓስ፣ ኮነ ኢልካ ስምዒት ምዝባዕ፣ ብዕሽሽታ ስምዒት ሰብ ምዝባዕን ናይ ሓሶት ማእሰርትን ዝብሉ እዮም። ከሳሲት “ንህይወታን ስርሓን ከምእትፈርሕ” ዘለዋ ስግኣት ኣብቲ ሰነድ ጽሒፋ። ናብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ መዘናግዒ ጃልባ ብናይ ሙዚቀኛ ራፕን ኣፍራዩን ዲዲ ተዓዲማ ከምዝኸደት’ውን ገሊጻ። ኣብቲ ኒውስቢት ርእየዮ ዝበሎ ናይ ክሲ ሰነድ እታ ሰበይቲ ናብቲ ጃልባ ምስከደት ክሪስ ብራዉን መስተ ክትሰቲ ከምዝዓደማን “ሃንደበታውን ክገልጾ ብዘይክእልን ኣእምሮይ ተለዋዊጡ” ክትብል ገሊጻቶ። ካብኡ ንድሓር “ዓዊነ፣ ኣካላዊ ዘይምርግጋዕን ሓውሲ ድቃስ ናብ ዝመስል ኩነታት ኣትየ” ዝበለት ኮይና ክሪስ ብራዉን ዕርቃና ኣውጺኡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ፈጺምሉ ናብ ዝተብሃለ መደቀሲ ክፍሊ ከምዝተወሰደት ኣብሪሃ። እቲ ሰነድ: ክሪስ ብራዉን ንጽባሒቱ ረኺቡ ከኒና መከላኸሊ ሃንደበታዊ ጥንሲ ንኽትወስድ ከምዝነገራን ይሕብር። ኒውስቢት ንፕሮድዩሰር ዲዲን ተወከልቱን ረኺቡ ርእይትኦም’ኳ እንተሓተተ ክሳብ ሕጂ ምላሽ ኣይረኸበን።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60181789"} {"headline":"ቅልውላው ምግቢ ማዳጋስካር ፦ ንቝሸታ ካብ ጥሜት ዘድሓነት ኣደ","content":"ሎሓራኖ፡ ነቲ ኣብ ገሊኡ ክፋላት ዞባ ማዳጋስካር ዘይተርፍ ዝመስል ዘሕዝን ናይ ጥሜትን ደርቅን ፍጻሜታት ንምቕያር ልዑል ጻዕሪ ተካይድ ኣላ። ኣብታ ኣብ ደቡብ እትርከብ ደሴት ማዳጋስካር ንኣስታት 1.3 ሚልዮን ሰባት ኣብ ሓደጋ ዘውደቐ ንነዊሕ ዝጸንሐ ደርቂ ክሳብ 28,000 ንዝኾኑ ሰባት ንዓጸቦ ኣቃሊዑዎም ኣሎ። እቲ ኣሃዝ ኣከራኻሪ እኳ እንተ ዀነ: ገሊኦም ግን ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ኣብ ዓለም ዝተራእየ ናይ መጀመርታ ዓጸቦ ክብሉ ይጽውዕዎ ኣለዎ ። ይኹን እምበር፡ እታ ሎሓራኖ፡ እትመርሖ ኮሚዩኒቲ ቲሲማናንዳ ግን ካብቲ ሕሱም ድርቂ ተናጊፋ ኣላ። እታ ካብ ርእሰ ከተማ እታ ኣውራጃ ብመኪና 45 ደቓይቕ ርሕቀት እትርከብ ኣምቦቮበቤ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ብከቢድ ሕጽረት ዝናብ ተጠቒዓ ኣላ። ኣብቲ ብከም በዓል [ጂፕ ዝኣመሰለ] በረኽቲ ናይ በረኻ መካይን 4x4 ጥራሕ ክትከዶ ዝኸብድ ሑጻ ዝበዝሖ መገዲ እዩ። እቲ ምድረ በዳ ዝመስል ቅርጺ መሬት ዘለዎ፡ ዕርቃኑ ዝወጽአ፡ ኣእዋሙ እተገፈ ብርቱዕ ንፋስ ዘለዎ ከባቢ እዩ። ኣብቲ ቦታ ዝኾነ ይኹን ነገር ኣሎ ኢልካ ምሕሳብ ከቢድ እዩ ። ቲሲማናንዳ ግና ኣብቲ ከባቢ ጐሊሓ እያ ትረአ። ናይ ሎሃራኖ ፍሽኽታ ነቲ ኣብ ከባቢኣ ዝነበረ ቦታ የብርሆ። ንሳ ሓጻርን ለዋህን እያ። ኣብ ጐረባብታ ከም መራሒት እትረአ ናይ መጀመርታ ሰብ ኣይኰነትን ። ሎሃራና ናብ ቤታ ዓዲማ፡ ገዝኣ ከም ቤተይ ከም ዝስምዓኒ ገበረት ። እቲ ወዲ 43 ዓመት መንእሰይ በዓል ቤታ፡ \"ብጥሜት ብዙሕ መከራ ኣሕሊፍና ኢና\" ይብል፡ ብዛዕባ እቲ ብ2013 ዘጋጠመ ደርቂ ኸስተንትን እንከሎ። ዘሪእና እኳ እንተነበርና ግና ኣይሰለጠናን \"ይብል። ኣብዚ ግዜ ግን ብሓገዝ ናይቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ናይ ኣግሮ-ኢኮሎጂ ማእከል ናይ ደቡብ (CTAS) ነገራት ኣዝዩ እተፈልየ እዩ ። ኣብኡ ምስ በጻሕኩ፡ ሎሃራኖ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሓንቲ ኦም ኮይና ክፍሊ ትመርሕ ነይራ። ኣብ ኣፍልባ ንሕርሻዊ ሜላታት ዝገልጽ ፖስተር ለጢፋ ንጐረባብታን ሰብኣያን ብዛዕባ ድርቂ ክጻወር ዝኽእል ኣእካልን ነቲ መሬት እንደገና ንምሕዳስ ዘኽእል ኣገባባትን ትዛረብ ። 'ቍርሲ፡ ምሳሕን ድራርን ኣሎና \" ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመት፡ ማእከል ኣግሮ-ኢኮሎጂ ደቡብ (CTAS) ከም ብልቱግን ማሸላን ዝኣመሰለ ኣብ ሑጻ ክፈሪ ዝኽእል እተፈላለየ ዓይነት እኽሊ ኸተኣታቱ ጸኒሑ እዩ። እቲ ኣእካል ፍርያምነት ናይቲ መሬት እውን ዘመሓይሽ እዩ። እቶም ነበርቲ፡ እኽሊ ብሕማቕ ክላይመት ምእንቲ ኸይብከል ብኸመይ ካብ ንፋስ ክከላኸልሉ ባህሪያዊ መከላኸሊ ከምዝሰርሑ ተማሂሮም። ሎሃራኖ ነቲ ንሳን ማንዲሊማናን ብዙሕ እኽሊ ዜፍርዩሉ ዝነበሩ ግራት ኸተርእዮ እንከላ ፡ \"ሕጂ፡ ቝርሲ፡ ምሳሕን ድራርን ኣሎና\" በለት ። ኣብ ሓደ ጫፉ፡ ብልቱግ፡ ባልዶንጓ፡ ፉልን ምቁር ድንሽን ይበቁል። \"ንሓርጭ ብልቱግ ምስ ሽኮር ሐዊስና ንበልዖ። እዚ ድማ ነቶም ቆልዑ ዝፈትዎም መግቢ ኮይኑሎም ኣሎ\" ማእከል ኣግሮ-ኢኮሎጂ ደቡብ ነዚ ዕዮ እዚ ኣብ ደቡባዊ ማዳጋስካር ኣብ ዝርከባ 14 ካልኦት ቊሸታት ንኣስታት 10,000 ስድራቤታት ኣብ ምሕጋዝ ከም ዝቐጸሎ እቲ ግብረ ሰናይ ይገልጽ ። ይኹን እምበር እቲ ንእሽተይ ትካል ንኹሉ ክበጽሕ ስለዘይክእል ኣዝዩ ዓቢ ኣድላይነት ኣለዎ። ኣብ ኣምቦቭበ ርእሲ ከተማ እቲ ዞባ፡ ዳርጋ ውግእ ከም ዝካየደሉ ዞባ ኮይኑ እዩ ዝርአ ። ኣብ ሓደ ሓመድ ዝበዝሖ ንእሽቶ ግራት፡ ብዙሓት ስድራ ቤታት ግዝያዊ ቴንዳ ሰሪሐን ንእተቐደደ ሰኪዐት ጣንጡ ብከረጺት ሩዝን ፕላስቲክን ሸፊኖሞ ይረኣዩ። እንተዀነ፡ እዞም ከባቢ 400 ዝዀኑ ሰባት ካብ ጥምየት እምበር ካብ ግጭት ኣይኮኑን ሃዲሞም። ዘይከምሎሃራኖ፡ ዝዀነ ይኹን ምግቢ ከፍርዩ ኣይከኣሉን። ህይወቶም ንከድሕኑ ከኣ ሕርሻኦምን ኸብቶምን ክሸጡ ይግደዱ። ኣሻማዊ ኩነታት ክሊማዊ ለውጢ ይኹን እምበር፡ ሰባት ንብረት ጥራይ ኣይኰነን ኣጥፊኦም ። ምስ ሓንቲ ካብ ኣንስቱን 12 ደቁን ዝነብር ማሆሶዋ፡ ኣርባዕተ ካብቶም ዝነኣሱ ደቁ ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት እቲ ደርቂ ምስ ጀመረ ከም ዝሞቱ ነገረኒ ። \"ኣብታ ቚሸት ብጥሜት ሞይቶም። ኣርባዕቲኦም በብመዓልቱ ሓደ ድሕሪ ሓደ ሞይቶም። ንሓደ ሰሙን ኣይበላዕናን። ዝብላዕ ኰነ ዝስተ ኣይነበረናን። \" ማሆሶዋ፡ ገለ ካብ ደቁ ኣብታ ከተማ ከይዶም ለሚኖም ምግቢ ወይ ማይ ክዕድጉ ይኸዱ ነይሮም ። እቲ መንግስቲ ዝህቦ መብጽዓታት ረድኤት ምንም ትርጉም ዘይብሎም እዮም። እቲ መንግስቲ ኣብቲ ብጥሜት እተጠቕዐ ከባቢ ናይ መግቢ ረድኤት እኳ እንተሃበ፡ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ትሕተ ቕርጺ ክቕይር ኣይከኣለን። ይኹን እምበር፡ ፕረዚደንት ኣንድሪ ራጆሊና፡ ኣብተን ተኸታተልቲ ዓመታት ደርቂ፡ ነቲ ቅልውላው ቅልጡፍ ምላሽ ብዘይምሃቡ ይንቀፍ እዩ። ገሊኦም ደቀባት ነዚ ከም ታሪኻዊ ኣግልሎ ናይቲ ከባቢ እዮም ዝርእዩዎ። መምህር ዩኒቨርሲቲ ዶክተር ጺምሆል ቶቨንድራፋለ፡ \"ምስ ሰራዊት መግዛእቲ ፈረንሳ ኣብ እተገብረ ውግእ፡ ኣንታንድሩይ [ካብ ዞባ ኣንድሮይ ዝመጹ ህዝቢ] ምስ ተዋጋእቲ ፈረንሳውያን ተዋጊኦም እዮም\" ይብል። በዚ ምኽንያት ድማ፡ እቶም ፈረንሳውያን ነቲ ዞባ ኸማዕብልዎ ድሌት ከም ዘይነበሮም ይገልጽ። \"ንኣብነት፡ ጽርግያ ክሰርሑ፡ ዒላታት ክዅዕቱ ኣይሓሰቡን፣ ካብ ግዜ ናጽነት ጀሚሮም ክሳዕ ሕጂ ኣብ ፖለቲካ ማዳጋስካር ኣለዉ።\" ብዙሓት ፖለቲካውያን ወሃብቲ ርእይቶ፡ መንግስቲ ነቲ ኣብ ደቡብ ዘሎ ቅልውላው ጥምየት ዘጋድድ ስጕምቲ ክወስድ ከምዘደንጎየ ይወቕሱ እዮም፤ ሚኒስተር ኣከባቢ ማዳጋስካር ግና፡ ንነገራት ብእተፈልየ መገዲ እዩ ዝርእዮ ። ዶ\/ር ባኦሚሴ ቫሂናላ ረሓሪና እቲ ጥሜት \"መበቈሉ ምቅይያር ክላይመት\" ምዃኑ ገሊጻ ኣላ። እዚ መልእኽቲ ኣብዚ ምስቲ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዘለዎ ኣረኣእያ ዝመሳሰል ኰይኑ፡ እቲ ጸገም ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ይጋደድ ከም ዘሎ ዝገልጽ ። ጸብጻብ ዓለማዊ ምቁጽጻር ክላይመት፡ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ማዳጋስካር ዘጋጠመ ደርቂ፡ ምስቲ ተመራማሪ ክሊማ ዶ\/ር ሮንድሮ ባሪማላ ዝብሎ ነገር ይፈላለ እዩ። ተመራመርቲ ከም ዝገለጽዎ፡ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝወቅዕ ዝነበረ ዝናም ብምውሓዱ ኣብ መጻኢ ደርቂ ከጋጥም ከም ዝኽእል ርዱእ ኮይኑ ኣሎ። ጠንቂ ዋሕዲ ዝናምን ሳዕቤኑን ከመይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ምስቲ ዝመጽእ ዘሎ ጽልዋን ዓለማዊ ዋዕን ለውጢ ክሊማን ንዓመታት ከም ዝነብሩ ኣየጠራጥርን እዩ ። ሎሃራኖ ንእትነብረሉ ቊሸት ንምምሕያሽ ብዝገበረቶ ዕዮ፡ ማሕበረሰባ ሕጉስ ስለ ዝዀነ፡ ካብቲ ሎሚ ንብዙሓት ዘጋጥሞም ዘሎ ሓደጋ ብምድሓኑ ሓጐሳ ወሰን የብሉን ። ኰይኑ ግና፡ ብዙሓት ሰባት ክሕግዙ ዘይምኽኣሎም ኣዝዩ ይስምዓ። \"[ሰባት]ብጥሜት ክሞቱ ስለ ዝኽእሉ፡ እሓዝነሎም እየ። ሓደ እዋን ሓንቲ ሰብ ዝብላዕ ስለዘይነበራ፡ ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝኾነ ሓተትክዋ ። \"ሳልስቲ ይገብሩ ከም ዘይበልዑ ነገረትኒ። ስለዚ፡ ንደቃ ዝኸውን ምግቢ ሂበያ\" ትብል ።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59606332"} {"headline":"ክታበት ኮቪድ ኣብ ወርሓዊ ጽግያት ዘስዕቦ ለውጢ ማዕረ ክንደይ እዩ?","content":"ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ወርሓዊ ጽግያት ደቂ ኣንስትዮ ቁሩብ ለውጢ ከስዕብ ይኽእል እዩ፤ እንተኾነ ቀልጢፉ ናብ ንቡር ከምዝምለስ ላዕለወይቲ በዓልቲ ሞያ ብሪጣንያ ትገልጽ፡፡ ኣብ ኢምፐርያል ኮሌጅ ለንደን እትምህር ዶ\/ር ቪክቶርያ ሜል፡ ኣብ ኣመሪካን ኖርወይን ዝተኻየዱ መጽናዕቲታት ነዚ ዘረጋግጹ ከምዝኾኑ ትሕብር፡፡ ብተወሳኺ ንወሊድ ኣመልኪቱ ዝንዛሕ ዘሎ ግጉይ ሓበሬታ፡ ክታበት ኮቪድ መኻንነት የስዕብ እዩ ዝብል ሻቕሎት ከምዝፈጠረ ትገልጽ፡፡ ተቖጻጻሪ መድሓኒት ዩናይትድ ኪንግደም፡ ክታበት ኮቪድ ኣብ ወሊድ ዘብጸሖ ጽልዋ ዘርእይ መረዳእታ ከምዘየለ ይሕብር፡፡ ኤጀንሲ ምቁጽጻር መድሓኒትን ምህርቲታት መሐለዊ ጥዕናን ከምዝሕብሮ ልዕሊ 37 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ክታበት ኮቪድ ድሕሪ ምውሳደን፡ ዘይተሓሰበ መድመይቲ ኣካላት መፍረ፣ ከቢድን ዝደንጎየን ወርሓዊ ጽግያት ከምዝረኣያ ገሊጸን እየን፡፡ እንተኾነ ምቅይያር ዑደት ጽግያት ተፈጥሮኣዊ ብምዃኑ፡ እዚ ምስቲ ክታበት ዘለዎ ተዛምዶ ዘመላኽት ከምዘይኮነ ይሕብር፤ ተመራመርቲ ግና ዝያዳ መጽናዕቲ ከምዘድሊ ይገልጹ፡፡ ዶ\/ር ቪክቶርያ ከምእትሕብሮ፡ እቲ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ኣስታት 4 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝተገበረ መጽናዕቲ፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ካልኣይ ዙር ክታበት ኮቪድ ምስ ወሰዳ፡ ወርሓዊ ጽግያተን ብፍርቂ መዓልቲ ዝደንጎየ ኮይኑ ኣብቲ ቀዳማይ ዙር ክታበት ግን ዝተርኣየ ምድንጓይ የለን፡፡ ልሙዳት ቅረታታት እተን ኣብ ሓደ ዑደት ጽግያት ክልተ ዙር ክታበት ዝወሰዳ ደቂ ኣንስትዮ ወርሓዊ ጽግያተን ብኽልተ መዓልቲ ከምዝደንጎየ ይገልጻ፡፡ ኣብታ ክታበት ብውሑድ ኣብ ሽዱሽተ ሰሙን ኣፈላላይ ዝወሃበላ ብሪጣንያ እዚ ክስተት ክረኣይ ከምዘይክእል ዶ\/ር ቪክቶርያ ትገልጽ፡፡ ካብ 10 ዝተኸተባ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓንቲ ናይ ልዕሊ ሸሞንተ መዓልቲ ምድንጓይ ዝተርኣየ ኮይኑ፡ ኣብ ዘይተኸተባ ግና ካብ 25 ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓንቲ ዝረኣይ እዩ፡፡ ኣብ ኖርወይ ኣብ 5,600 ደቂ ኣንስትዮ ዝተገበረ መጽናዕቲ ድማ ተፈጥሮኣዊ ምቅይያር ወርሓዊ ጽግያት ዘመልክት እዩ፡፡ ኣስታት 40 ምኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ ዋላ ቅድሚ ምኽታበን ብውሑድ ሓደ ግዘ ከምዘጋጠመን ክገልጻ ከለዋ ድሕሪ ክታበት ግን ካብ ልሙድ ክብድ ዝበለ መድመይቲ ከምዘጋጠመን ገሊጸን፡፡ ‘‘ድሕሪ ክታበት ኣብ ወርሓዊ ጽግያት ለውጢ የጋጥም እዩ፤ ግን ድማ ምስ ተፈጥሮኣዊ ምቅይያር እንትወዳደር ዝነኣሰን ቀልጢፉ ናብ ንቡር ዝምለስን እዩ’’ ትብል ዶ\/ር ቪክቶርያ፡፡ ብተወሳኺ ናይተን ደቂ ኣንስትዮ ሻቕሎት ‘‘ክታበት ኮቪድ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ መኻንነት የስዕብ እዩ ካብ ዝብል ዝንቡዕ ሓበሬታ ዝብገስ እዩ’’ ትብል፡፡ ነዚ ብቐሊሉ ንምርዳእ መጠን ናይቶም ክወልዱ ፈቲኖም ዝሰመረሎም መጻምዲ ኣጽንዕካ ምንጋር የድሊ፡፡ እንተኾነ ረኽሲ ኮሮናቫይረስ ‘‘መጠንን ብዝሕን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ክቕንስ ስለዝኽእል’’ እኹል መረዳእታ ምሓዝ ንሕሙማት ትኽክለኛ ምኽሪ ንምሃብ ይሕግዝ እዩ፡፡ ኣብ ብሪጣንያ ዛጊድ ኣስታት 51 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ኮሮናቫይረስ ንደቂ ኣንስትዮ ተዋሂቡ እዩ፡፡","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60158481"} {"headline":"ጓል 90 ዓመት ኣዶ ብኽልተ ዓይነት ዓሌታት ኮቪድ ሞይተን","content":"እተን ብኽልተ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ዝሞታ ጓል 90 ዓመት ኣዶ ናብ ሕክምና ምስኣተዋ ከቢድ ናይ ምስትንፋስ ጸገም ኣጋጢምወን ከምዝነበረ ሓካይም ገሊጾም። እተን ኣዶ፡ ብዝተፈላለዩ ዓይነታት ኮሮናቫይረስ ምስሞታ፡ ሰባት ብኽልተ ዓይነት ቫይረሳት ኮሮናቫይረስ ክሞቱ ከምዝኽእሉ ተመራመርቲ እቲ ዓውዲ ኣጠንቂቖም ኣለዉ። መበገሲኦም ካብ ደቡብ ኣፍሪቃን ዩናይትድ ኪንግደምን ከምዝኾነ ብዝዝረበሎም ኣልፋን ደልታን ዝተብሃሉ ኮሮናቫይረሳት ከምዝሞታ’ዩ ተገሊጹ። እተን ሽማግለ ሰበይቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ክታበት ወሲደን ከምዝነበራን ኣብ ቤልጅየም ከምዝዓረፋን ተሓቢሩ። እቲ ሕማም ካብ ክልተ ሰባት ረኺበንኦ ክኾና ከምዝኽእላ’ውን እቶም ሓካይም ጠርጢሮም። ዋላ’ኳ እዚ ንፈለማ እዋን ብሰነድ ደረጃ ዝተረኸበ እንተኾነ ኣብ ካልኦት ከባቢታት’ውን ግን ይቀላቐል ከምዘሎ ተመራመርቲ ሓቢሮም። ኮንግረስ ክሊኒካል ማይክሮባዮሎጂን ተላበድቲ ሕማማትን ኣውሮፓ፡ ሎምዘበን የካይዶ ኣብዘሎ ኣኼባ ኣብቲ ዛዕባ ይዛተ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣብ ብራዚል ክልተ ሰባት ብኽልተ ዓይነት ሕማማት ኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ከምዝሞቱ ዕላዊ ገይሮም ነይሮም። ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ፖርቹጋል ሓደ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ ካብ ሓደ ኮሮናቫይረስ ኣብዝሓወየሉ ግዜ ብኻልእ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ምልካፉ ኣፍሊጦም ነይሮም። እተን ብኽልተ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ተለኺፈን ዝሞታ ኣዶ ናብ ሆስፒታል ምስኣተዋ ልዑል ናይ ምስትንፋስ ጸገም ኣጋጢምወን ከምዝነበረ ተገሊጹ። ናይቶም ክልተ ቫይረሳት ምትሕውዋስ ናይተን ኣዶ ጥዕና ቀልጢፉ ክቃወስ ከምዝገበረን ተወሳኺ ምርምር ከምዘድልዮ ኣብ ቤልጅየም ሆስፒታል ኦኤልቪ ተመራማሪት ዶ\/ር ኣን ገሊጻ። ቫይረሳት ካብ ሰብ ናብ ሰብ ኣብዝመሓላለፍሉ ግዜ ዕብየቶምን ቅርጾምን ይቀያየር እዩ። እዚ ድማ ካልእ ሓድሽ ዓይነት ዓሌት ቫይረስ እዩ ዝፈጥር። ኮሮናቫይረስ’ውን እንተኾነ ተፈጥሮኣዊ ዕብየቱ ብምቅይያር ብሓድሽ መልክዕ ይመጽእ ኣሎ። ገለገሊኦም ዓይነታት ቫይረስ ዋህዮታት ናይ ምክልኻል ዓቕምን ክታበትን ክፈታተኑ ጀሚሮም ኣለዉ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም ብቕልጡፍ ዝላበድ ዘሎ ዓሌት ቫይረስ ደልታ ዝበሃል ኮይኑ እቶም ዝወሃቡ ዘለዉ ክታበታት ነዚኦም ዓይነታት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዘለዎም ተመራመርቲ ይሕብሩ ኣለዉ። ተመራመርቲ ንኮሮናቫይረስ ብዝሓሸ መልክዕ ክከላኸል ዝኽእል ክታበት ንምርካብ ላዕልን ታሕትን ኣብ ምባል ይርከቡ።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57795977"} {"headline":"ኣብ ክልል ሶማል ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ዝኽልክል ሕጊ ክጸድቕ’ዩ","content":"ቤት ምኽሪ እስላማዊ ጉዳያት ክልል ሶማል፡ ምኽንሻብን ምስፋይን ርሕሚ ጓል ኣንስተይቲ ምስ ሃይማኖት እስልምና ዘራኽብ ከም ዘይብሉ ዝገልጽን ነቲ ተግባርን ዝኽልክልን ብይን ንምሃብን ኣብ ቀረባ ግዜ ኣኼባ ከም ዘካይድ ገሊጹ። እቲ ቤት ምኽሪ ኣርቂቕዎ ኣብ ዘሎ ብይን፡ ኪኖ ምኽንሻብን ጫፍ ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ምቁራጽን ኣብ ገለ ንሽንቲ ማይ መሕለፊ ንእሽተይ ቀዳድ ጥራይ ዝግደፈሉ ኣገባብ ምኽንሻብ 'ፋርኦናዊ' ምኽንሻብ ጓል ኣንስተይቲ ተባሂሉ ከም ዝጽዋዕ ብምግላጽ፡ ደው ንኽብል ዓሊሙ እዩ ተነዲፉ። እዚ ዓይነት ኣከናሻሽባ ብውድብ ጥዕና ዓለም ሳልሳይ ደረጃ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዩ ተባሂሉ ተጠቂሱ ዘሎ ኮይኑ እቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ እዩ። እቲ ኣገባብ ኣከነሻሽባ፡ ክልተ ከንፈር ርሕሚ ጓል ኣንስተይቲ ብላማ ተቆሪጹ እቲ ዝተረፈ ኣላጊብካ ብምስፋይ ዝግብር ኮይኑ ነታ ጓል ኣንስተይቲ ንሽንቲ ማይ መሕለፊ ዝኸውን ንእሽተይ ነቓዕ ጥራይ እዩ ዝግደፈላ። ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ኢትዮጵያ እቲ ነታ ጓል ኣንስተይቲ ንሽንቲ ማይ ተባሂሉ ዝግደፈላ ነቃዕ ብፍረ ዕፉን ከም ዝዕቀን ዝተፈላለዩ ዝተገበሩ መጽናዕትታት ይሕብሩ። እታ ዝተኸንሸበት ክትምርዖ እንከላ እቲ ዝተሰፈየ ብበሊሕ ነገር ዳግማይ ይኽፈት። እቲ ዕስራ ገጽ ዘለዎ ሓድሽ ንድፊ ሕጊ፡ ኣብ መጀመርታ ገጻቱ ንሰብኣዊ መሰላትን ንቁርኣንን እናኣዛመደ እዩ ዝገልጽ። \"ብሕገ ሸሪዓ ሓንቲ ህይወት ምሕላፍ ፍረ ወይ ኣካል ሰብ ምጉዳል ክልኩል እዩ\" ብምባል ኸኣ የረድእ። ሃይማኖት እስልምና ሓሙሽተ ናይ ሰብ መሰላት ክርገጹ ከምዘይብሎም ኣብ ቁርኣን ከምዘሎን ሕጊ ሸሪዓ ኸኣ ነዚ ክፍጽም ግዴታ ከምዘለዎን ኣብቲ ንድፈ ሕጊ ሰፊሩ ኣሎ። ናይ እምነት መሰል፣ ብህይወት ናይ ምንባር መሰል፣ ንብረት ናይ ምውናን መሰል፣ መሰል ክብሪ መንነትን ሓሳብካ ምግላጽን እቶም ሓሙሽተ ኣብ ሕጊ እስልማና ሰፊሮም ዘለዉ ክትንከፉ ዘይብሎም ሓሙሽተ መሰላት ደቂ ሰባት እዮም ይብል እቲ ሕጊ። \"ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ክልልና እዞም መሰላት እዚኦም ንክጎድሉ ካብ ዝገበሩ ሓደ ፈርኦናዊ ምኽንሻብ ጓል ኣንስተይቲ እዩ። ሰለዚ ነዚ ብይን ክንህበሉ ሸሪዓውን ሰብኣውን ግዴታና እዩ\" ብምባል ኣገዳስነት እቲ ሓድሽ ሕጊ የረድእ። \"ፈርኦናዊ ምኽንሻብ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ደረቱ ዝሓለፈ መጥቃዕቲ እዩ፤ ደቂ ኣንስትዮ ሃይማኖተን ዝሃበን መሰል ዝነፍግ'ውን እዩ\" ብምባል ኸኣ ነቲ ተግባር ይኹንኖ። እቲ ፈርኦናዊ ምኽንሻብ ጓል ኣንስተይቲ ሃይማኖታዊ መሰል ዝግህስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብታ ጓል ኣንስተይቲ'ውን ዝተሓላለኸ ጥዕናዊ ጸገማት ከም ዝፈጥር ኣቐዲሙ ዝተገበረ መጽናዕትታት የረድእ። ኮሚቴ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ክልል ሶማል 14 ለበዋታት ብምቕማጥ ኣብ ምክንሻብ ደቂ ኣንስትዩ ተሪር ዝኾነ መርገጺ እዩ ወሲዱ ዘሎ። \"ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዩ ንደቂ ኣንስትዮ ዝሃሲ ስለ ዝኾነ፡ ንኽልክሎን ንውግዞን\" ድሕሪ ምባል \"ፈርኦናዊ ምኽንሻብ ጓል ኣንስተይቲ ደው ንምባል ምስ ኣኽበርቲ ሕጊ ብሓባር ክንሰርሕ ኢና\" ኢሉ። ኣብ ክልል ሶማል ኣብ ፕሮግራም መጅልስ ኣወሃሃዲ ዝኾነ ኣቶ ዓብዲ ዓብደላሂ፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት እቲ ሃይማኖታዊ መልክዕ እናተዋህቦ ኣብ ክልል ሶማል ኣብ ዝርከባ ደቂ ኣንሰትዩ ክፍጸም ዝጸነሐ ነዊሕ ዓመታት ዘቁጸረ ምኽንሻብ ሕጂ ደው ክብል ምግባር ዓቢ ትርጉም ዘለዎ እዩ ኢሉ። ኣቶ ዓብዲ ዓብደላሂ፡ \"ነቲ ምኽንሻብ ደው ንምባል ምስ ኣኽበርቲ ሕጊ፣ ፖሊስን ኣብያተ ፍርድን ብሓባር ኮይንና ክንሰርሕን ኢና። ነቲ ቤት ምኽሪ እስላማዊ ጉዳያት ክልል ሶማል ዝወጽእ ኣዋጅ ናብ ሕጊ ንምቅያሩ ኸኣ ብዙሕ ኣይክኸብድን'ዩ\" ኢሉ። ኣብ ክልል ሶማል ልዕሊ 90 ሚኢታዊት ደቂ ኣንስትዩ በቲ 'ፈርኦናዊ' ' ምኽንሻብ ጓል ኣንስተይቲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣገባብ ከም ዝኽንሸባ ኣቶ ዓብዲ ዓብደላሂ ይገልጽ። ኣብ 11 ዞባታት ዝርከቡ ኮሚቴ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ክልል ሶማል ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ተኣኪቦም ነቲ ዝወጽእ ሕጊ ምስ ኣጽደቅዎ ናብ ዓቃቢ ሕጊ ተላኢኹ ሕጊ ኮይኑ ክጸድቅ ትጽቢት ይግበር።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56756227"} {"headline":"ኣብ ወርሓዊ ጽግያት ንዘለዋ ዝወሃብ ፍቓድ ዕረፍቲ ዝኸልከለ ሓላፊ መገዲ ኣየር ነበር ተቐጺዑ","content":"ኣብ ደቡብ ኮርያ ብመሰረት ሕጊ ሰራሕተኛታት ኣብ ወርሓዊ ጽግያት ንዘለዋ ኣባላት ክወሃብ ዝግብኦ ፍቓድ ዕረፍቲ ዝኸልከለ ዋና ኣፈጻሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ነበር ቅጽዓት ገንዘብ ተበይንዎ። ዋና ኣፈጻሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኤዥያና ዝነበረ ኪም ሱ-ቺዮን በቲ ተግባር 2 ሚልዮን ዎን [ገንዘብ እታ ሃገር] ማለት ኣስታት 1,800 ዶላር ቅጽዓት’ዩ ተፈሪድዎ ዘሎ። ንሱ ካብ 2014 ክሳብ 2015 ኣብ ዝነበረ እዋን ካብ 15 ኣሳሰይቲ በረራ [‘ሆስትስ’] ንዝመጽኣሉ 138 ሕቶታት ዕረፍቲ ከምዝነጸገ’ዩ ዝግለጽ። ኪም ግን እተን ሰራሕተኛታት ዕረፍቲ ክሓታ ከለዋ ኣብ ወርሓዊ ጽግያት ምህላወን ዘረጋግጽ ዋላ ሓደ ነገር መረዳእታ የቕርባሉ ከምዘይነበራ ብምግላጽ ነቲ ክሲ ይቃወሞ። ደቂኣንስትዮ ደቡብ ኮርያ ካብ 1953 ጀሚሩ ኣብ ከቢድ ቃንዛ ወርሓዊ ጽግያት እንተደኣኮይነን ኣብ ወርሒ ሓንቲ መዓልቲ ዕረፍቲ ክሓታ ይፍቀደለን’ዩ። ፍቓድ ዕረፍቲ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት: · ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽጊያ ከቢድ ስቓይ ንዘለወን ደቂኣንስትዮ ኣብ ወርሒ ንሓደ ወይ ክልተ መዓልታት ዝወሃበን ፍቓድ ዕረፍቲ’ዩ። · ጃፓን፣ ኢንዶነዢያን ታይዋንን ዝርከብአን ሃገራት ብሕጊ ኣጽዲቐንኦ ይርከብ · እንተኾነ ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ነቲ ፍቓድ ዕረፍቲ ክሓታ ኣይረኣያን · ወርሓዊ ጽግያት ሓደ ካብ ሞንጎ ስነ-ሂወታዊ መስርሕ ከምዝኾነ ዝገልጹ ደገፍቲ ናይዚ ዕረፍቲ: ልክዕ ከም ናይ ወሊድ ዕረፍቲ ንደቂኣንስትዮ ኣገዳሲ እዩ ይብሉ · ነዚ ሓሳብ ዝነቕፉ ኣካላት ብወገኖም እዚ ፍቓድ ዕረፍቲ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ኣሉታዊ ኣመለኻኽታ ንኽህሉ ዝገብር፤ ኣስራሕቲ’ውን ደቂኣንስትዮ ክቖጽሩ ዘየተባብዕ'ዩ ይብሉ ሰራሕተኛታት ዕረፍቲ ኣብ ዝሓታሉ እዋን “ብዙሓት ዘጠራጥሩ ነገራት ከምዝረክብ” ብምግላጽ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝሞጎተ ኪም ክዕወት ኣይከኣለን። ቤት ፍርዲ ብወገኑ፡ ሰራሕተኛታት ኣብ ወርሓዊ ጽግያት ምህላወን ዘረጋግጽ መረዳእታ ከቕርባ ምሕታት “ንውልቃውነትን ሰብኣዊ መሰላትን ዝጻባእ” ከምዝኾነ ኣረዲኡ።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56884826"} {"headline":"ን10 ኣዋርሕ ውኒኣ ስሒታ ኣብ ሆስፒታል ዝፀንሐት ኢጣልያዊት ከምዝነቐሐት ተፈሊጡ","content":"ን10 ኣዋርሕ ውኒኣ ስሒታ ኣብ ሆስፒታል ዝፀንሐት ኢጣልያዊት ከምዝነቐሐት ተገሊፁ። እታ ክርስቲና ሮሲ ዝተባህለት፡ ጓል 37 ዓመት ሰበይቲ፡ ናይ ሸውዓተ ወርሒ ጥንስቲ እናሃለወት ብዘጋጠማ ሕማም ልቢ እያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሓምለ ውኒኣ ስሒታ። በዚ ምኽንያት ጓላ ካትሪና ብመጥባሕቲ ካብ ማህፀን ኣዲኣ ክትወፅእ ተገይሩ። እንተኾነ፡ ኣዲኣ ወይዘሮ ሮዚ ኣብ ናይ ሓንጎል መጉዳእቲ ክኸውን ከምዝኽእል ብዝጥርጠር ፀገም ናብ ውኒኣ እንተይተመለሰት ተሪፋ። ሎሚ ኣብ ዝነቐሐትሉ እዋን ድማ፡ \"ማማ\" ዝብል ፈላማይ ቃል ከምዝተዛረበት ዝገልፅ በዓል ቤታ ገብርኤል ሱቺ፡ ከምዘይተፀበዩዎን ፍፁም ታሕጓስ ከምዝፈጠረሎምን፡ ላ ናዝዮን ንዝተባህለት ጋዜጣ ተዛሪቡ። ወይዘሮ ሮዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ኣብ ኣውስትራሊያ ናብ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ተዛዊራ ሕክምና እናተገበረላ ዝፀንሐት ኮይና፡ ወጻኢታታ ክራውድፈንዲንግ ብዝተገብረ ኣበርክቶ እዩ ተሸፊኑ። ዛጊት ንተወሳኺ ሕክምና ወይዘሮ ሮዚ፡ 208 ሽሕ ዶላር ተኣከቡ ኣሎ። እታ ዕሸል'ውን ብምኽንያት ሕፅረት ኦክስጅን ኣብ ሆስፒታል ንኣዋርሕ ክትፀንሕ ተገዲዳ እያ።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57434430"} {"headline":"ቶኪዮ ኦሎምፒክ፡ ኣትሌታትን ሳይንትስታትን ዝኾና ሸውዓተ ደቂ ኣንስትዮ ከነላልየኩም","content":"ወትሩ ፍርቂ ልበን ኣብ ስፖርታዊ ስልጠና፣ ፍርቂ ልበን ድማ ኣብ ቤተ ፈተነ እዩ። ኣብ ቶኪዮ ኦሎምፒክ ውድድራት ጂምናዚየም፣ ኣትሌቲክሳዊ ውድድራት፣ ትራካትን ካልኦትን ክሳተፋ ዝተሓረያ ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት በዚ መስርሕ ክሓልፋ ግድን እዩ። ኣብ ዓውዲ ሳይንስ ዘለወን ዕውትነትን ኣብ ውድድራተን ዘመዝግብኦ ክብረ ወሰን ንምሕላውን ከኣ ፍልይ ዝበለ ግድላት ይገጥመን'ዩ። እምበኣርከስ፡ ኣብ ኣትሌቲክስን ሳይንስን ብልጫ ዘርኣያ ሸውዓተ ዕውታት ደቂ ኣንስትዮ ዓለምና ከነላልየኩም። 1. ኣና ኬሴንሆፈር [ኣውስትሪያ] ጓል 30 ዓመት ተወዳዳሪት ብስክሌት፡ ኣብቲ ኣብ ቶኪዮ ዝተኻየደ ውድድር ኣብ ዝርዝር ብሉጻት ደቂ ኣንስትዮ ተወዳደርቲ ኣይነበረትን። ይኹን'ምበር፡ ዋላ'ውን ኣሰልጣኒ ወይ'ውን ሞያዊ ድጋፍ ዝገብረላ ክኢላ እንተዘይነበረ፡ ካብ ባዶ ተላዒላ ወርቂ ሜዳሊያ ክትዕወት ክኢላ። እዛ ኣውስትሪያዊት፡ ንመነሓንሕታ ኔዘርላንዳዊት ቻምፒዮን ዓለም ዝኾነት ተወዳዳሪት ብስክሌት ኣኔሚክ ቫን ቭሌቴን በሊጻ'ያ ተዓዊታ። ክኢላ ሒሳብ ቻምፒዮን ኦሎምፒክስ 2021 ኣና፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ቬናን ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅን ብዲግሪ ተመሪቓ'ያ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ስዊዘርላንድ ዩኒቨርሲቲ ሉዛን ክፍሊ ምምሃርን መጽናዕትን ትሰርሕ። 2. ሃዲያ ሆስኒ [ግብጺ] ቶኪዮ ኦሎምፒክ፡ ንሃዲያ ሆስኒ ናይ መወዳእታ ውድድራ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ንሳ፡ ካብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ውድድር ድርብ ባድሜንተን ምስ ተኣለየት ጡሮታ ክትወጽእ ምዃና ኣአንፊታ። \"ናይ መወዳእታ ናይ ኦሎምፒክ ውድድረይ ከም ዝኸውን ዓብዪ ተኽእሎ ኣሎ። ናብ ኩሎም ቶርናመንታት ክትጉዓዝን ንርእስኻ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ዓለማዊ ደረጃታት ክትዕቅብን ኣዝዩ ኣጸጋሚ'ዩ\" ከም ዝበለት ድረ ገጽ ዓለምለኸ ኮሚቴ ኦሎምፒክስ ይሕብር። እንተኾነ ሆስኒ ኣካዳሚያዊ ዕማማታ ክትቕጽለሎም'ያ። ኣብ ግብጺ ዩኒቨርሲቲ ብሪጣኒያ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር እያ። ብባዮሜድስን ካልኣይ ዲግሪ ኣለዋ። ብስነ መድሃኒት ክኣ ሳልሳይ ዲግሪ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካይሮ ተመሪቓ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዙርያ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ዝውዕል ጸረ ነድሪ ዝኾነ መድሃኒት ዴክሳሜታሶን ዘካየደቶም መጽናዕታትን ጽሑፋትን ኣሐቲማ'ያ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣባል ባይቶ ግብጺ ኮይና ፖለቲከኛ'ውን እያ። 3. ጋቢ ቶማስ [ኣመሪካ] ጓል 24 ዓመት ኣመሪካዊት ጋብሬላ ቶማስ ፍልጥቲ ኣትሌት ውድድር ሓጺር ርሕቐት'ያ። ኣብ ውድድር 200 ሜትሮ ሳልሰይቲ ፈጣን ጓል ኣንስተይቲ እያ። ጋቢ ብዝብል እትፍለጥ ኣትሌት፡ ኣብ ቶኪዮ ኦሎምፒክ ሜዳሊያ ነሓስ ተዓዊታ። ኣብ ሞንጎ ውድድራትን ስልጠናታትን ግና፡ ቶማስ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ዓለምለኻዊ ጥዕናን ጥዕና ስነ ኣእምሮን ተጽንዕ ነይራ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ኣብ ኦስቲን ዩኒቨርሲቲ ቴክሳስ ምምሕዳር ጥዕናን ስነ ተላባዕቲ ሕማማትን [ኤፒዲሞሎጂ]ተጽንዕ ኣላ። ቐንዲ ትኹረት መጽናዕታ፡ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ትካላት ጥዕና ዘሎ ዓሌታዊ ዘይምዕሩይነት ክኸውን ትደሊ። 4. ካርሎቲ ሃይም [ፈረንሳ] ጓል 12 ዓመት እናሃለወት ፈረንሳዊት ካርሎቴ ሃይም ኣብ ጥቓ ገዛውታ ምንቅስቓስ ምንሽርታት [skate] ብዝገብሩ ሰባት ተምሳጥ ይሓድራ ነይሩ። \"ኣዝዩ ደስ ዝብል ይመስል ኢለ ኣነ'ውን ክፍትኖ ደልየ\" ትብል እዛ ጓል 28 ዓመት ሃይም። ኮይኑ ድማ፤ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ቶኪዮ ኦሎምፒክ ብምንሽርታት [skateboarding] ክትወዳደር በቒዓ። እንተኾነ፡ ዶክተር ሃይም ኣብ መጻረዪ ውድድር ክትሓል ኣይክኣለትን። ብተወሳኺ፡ ዶክተር ስነ ኣእምሮ ኮይና'ያ ናብ ቶኪዮ ተጓዒዛ። ድምጺ ኣዴታት ኣብ ዕብየት ክእለት መትንታት ሓደሽቲ ዝተወልዱ ህጻናት ዘለዎ ጽልዋ እንታይ እዩ ዝብል ኣጽኒዓ። 5. ሉዊስ ሻናሃን [ኣየርላንድ] ጓል 24 ዓመት ኣየርላንዳዊት ጎያይት፡ ኣብ 2024 ኣብ ፓሪስ ንዝእንገድ ኦሎምፒክ ክበቅዕ'የ ዝብል ትጽቢት ነይሩዋ። ግን ድማ ነዚ ኣቐዲማ ከተዐውቶ ክኢላ፤ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ኦሎምፒክ ብ800 ሜትሮ ክትወዳደር ተመዝጊባ፤ ኣብ መጻረዪ ግን ክትሓልፍ ኣይክኣለትን። እቲ ን2024 ዝሓዘቶ መደብ'ውን ኣብ ቦትኡ ኣሎ። ጎና ጎኒ ኣብ ሳይንስ ብቐንዱ ኣብ ኳንተም ፊዚክስ ትኹረት ገይራ ከኣ ትሰርሕ። እዛ ምርቕቲ ዩኒቨርሲቲ ኮርክ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ሳልሳይ ዲግሪ ተጽንዕ ኣላ። ቐንዲ ባህጋ ኣብ ሜዲካል ፊዚክስ ኮይኑ፡ ሕማም መንሽሮ ንምሕካምን ንምምርማርን ዘድልዩ ናውታት ተጽንዕን ትምህዝን። \"ክልተ ሞያ ዘለኒ ይመስለኒ፤ ኣብ ቤተ ፈተነ ክጽግመኒ እንከሎ ጎያይት ስለ ዝኾንኩ ጸገም የብሉን ኢለ ንነብሰይ የተባብዓ\" ክትብል ንኢንዲፐንደንት ዝተባህለ ጋዜጣ ኬምብሪጅ ተዛሪባ። \"ሕጂ፡ ኣብ ኣትሌቲክስ ንፍዕቲ ኣይኮንኩን፤ ስቕ ኢለ ክኢላ ኳንተም ፊዚክስ ኮይነ ክቕጽል ኣለኒ\" ኢላ። 6. ናዲን ኣፔት [ጀርመን] ኣፔት፡ ብጉስጢት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኦሎምፒክ ንጀርመን ዝወከለት ፈላሚት ጓል ኣንስተይቲ ብምዃን ታሪኽ ሰሪሓ። እዛ ጓል 35 ዓመት ኣብ ኦሎምፒክ ውሑድ ተሞኩሮ እዩ ዘለዋ። ኣብዚ ውድድር ከኣ ብህንዳዊት ሎቭሊና ቦርጎሃይን ተሳዒራ። ብሳይንስ ስነ ኣእምሮ ካልኣይ ዲግሪ ኣለዋ፤ ኣብ ቀጻሊ ከኣ ሳልሳይ ዲግሪ ክትመሃር መደብ ኣለዋ። ኣፔት፡ ምንቕቓሕ ሓንጎል ታሂሉ ዝጽዋዕ ሜላ ተጽንዕ ኣላ፤ እዚ ኣብ ቀጻሊ ግዳያት ፓርኪንሰን [ስርዓት መትኒ ዘጥቅዕ ሕማም] ንምሕካም ክውዕል ይኽእል ተባሂሉ ይግመት። \"ንቶኪዮ ኦሎምፒክ ምድላው ብሓቂ ዘጨንቕ ነይሩ፤ ካብ ጃፓን ምስ ተመለስኩ ሚኢቲ ሚኢታዊት ኣብ መጽናዕተይ ትኹረት ክገብር እየ ዝደሊ\" ክትብል ንድረ ገጽ ዓለምለኸ ኮሚቴ ኦሎምፒክስ ገሊጻ። 7. ኣንድሪያ ሙሬዝ [እስራኤል] ኣብ ካሊፎርኒያ ዝተወለደት ጓል 29 ዓመት ኣንድሪያ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ስታንፎርድ ብባዮሎጂ [ስነ ህይወት] ተመሪቓ'ያ። ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ግዜ ኣብ እስራኤል ኣብ ዝዳሎ ውድድራት ሓመሳ ግን ክትሳተፍ ጸኒሓ። ኣብዚ ጽቡቕ ውጽኢት ከተርኢ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ጠቕሊላ ናብ እስራኤል ብምኻድ ንሃገራ ክትውክል ወሲና። ኣብ ኦሎምፒክ ቶኪዮ ድማ ኣብ ኣርባዕተ ፍጻሜታት ሓመሳ ተሳቲፋ፤ ብ50፣ 100ን 200ን ሜትሮ ከምኡ'ውን 4 x100 ተወዳዲራ። እቲ ዝበለጸ ውጽኢት ዘመዝገበትሉ ውድድር 4 x100 እዩ። ኣብዚ ጋንታ እስራኤል ኣብ ውድድር ፍጻመ ሻምናይ ኮይና ወዲኣ።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58155771"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ 'ኣዕጽምተይ ኣብ ሓጺን ወዲቑ ዝሕምሸሽ ዘሎ ኮይኑ ይስመዓኒ'","content":"ጓል 44 ዓመት እየ፤ ሉሲ ኣዳምስ ይብሃል። ጋዜጠኛ ቢቢሲ'ውን እየ። ብውሽጠይ ከምቲ ቅድሚ 16 ኣዋርሕ ዝነበርኩዎ ጋዜጠኛ፣ ኣደ፣ በዓልቲ ቤት፣ ሳይክሊስት፣ ሓዃሪት እምባ፣ ሓምባሲትን ሓዲሽ ነገር ክድህስስ ብቐጻሊ ዝጓዓዝ ( ኣድቨንቼረር) ሰብ ኮይኑ'ዩ ዝስመዓኒ። ብግብሪ ግን ዳርጋ ክልተ ዕጽፊ ካብ ዕድመይ ኣሪገ ኣለኹ። ዝበዝሕ እዋን ካብ ድቃሰይ ብቃንዛ ይነቅሕ'ሞ ምስ ቃንዛይ እድቅስ። ሕማም መርዘን ኣለኒ፤ አዒንተይ ውሪግሪግ፡ ርእሰይ ጽርውርው ይብለኒ። መላግቦ ኣካላተይ የቐንዝወኒ፣ ኣዕጽምተይ ኣብ ሓጺን ወዲቑ ዝሕምሸሽ ዘሎ ኮይኑ ይስመዓኒ። ኣነ ሓንቲ ካብቶም ኣብ ብሪጣንያ ንልዕሊ 12 ኣዋርሕ በቲ \" ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ሳዕቤን ኮቪድ\" ዝሳቐዩ ኣስታት 385,000 ሰባት እየ። እቲ ቑጽሪ ገና እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ኣብ ወርሒ መጋቢት 2020 ብኮቪድ ምስ ተለኸፍኩ እዩ እዚ ሕጂ ዝገልጾ ዘለኹ ኩነታት ጀሚሩኒ። ሽዑ ብዙሓት ሰባት ንክምርመሩ ዕድል ኣይነበረን። ንዓይ ኩሉ እቲ ሕማም ኮቪድ ዘስዕቦም ምልክታት ይረኣየኒ ነይሩ። ብሕጽረት ምስትንፋስ ተሸጊረ ሓገዝ ሕክምና ምስ ሓተትኩ፡ ሕብሪ ከንፈረይ ብሕጽረት ኦክሲጂን እንተዘይተቐይሩ ኣብ ቤተይ ክውሸብ'ዩ ተነጊሩኒ። ጓል ሸውዓተ ዓመት ጓለይ'ውን ሓሚማ ነይራ። ንሳ ቀልጢፋ'ኳ እንተሓወየት ከቢድ ድኻምን ጸገም ምትንፋስን የጋጥማ ነይሩ። ብኸመይ ክንሕግዛ ከምእንኽእል ኣይርድኣናን ነይሩ። እቶም ሓካይም እውን ሽዑስ ክፈልጡ ዝኸኣሉ ኣይመስለንን። ዓቕሊ ጌርኩም ቁሩብ ተጸበዩ ኢሎሙና ከም ዝተባሃልናዮ ጌርና። እነሆ ድማ ድሮ ዓመትን መንፍቕን ኮይኑ ሓድሽ ሕማም ተመራመርቲ፡ ብዛዕባ እዚ ኣብ ውሱናት ሰባት ንነዊሕ እዋን ዝጽንሕ ዓይነት ኮሮናቫይረስ፡ እንታይ ከም ዘበግሶን ብኸመይ ከም እትከላኸሎን ገና መጽናዕቲ የካይዱሉ ኣለዉ። ዝተፈላለዩ ክልሰ ሓሳባት ግን ኣለዉ። ገሊኦም ካብቶም ዘይሞቱ ቫይረሳት ኮቪድ ኣብ ውሽጢ ሰብነት ጸኒሖም መሊሶም ክበራበሩ እንከለው እቲ ምልክታት ከም ዝፍጠር ይዛረቡ። ገሊኦም ከኣ ሰብነትና ባዕዳዊ ኣካል እናመሰሎ ባዕሉ ንኣካላቱ ከጥቅዕ ክጅምር እንከሎ ከም ዝኽሰት ይገልጹ። ካልኦት ከኣ ድኹም ስርዓተ ምክልኻል ሕማማት ኣብ ዘለዎም ሰባት እቲ ነዊሕ ዝጸንሕ ዓይነት ኮቪድ ከም ዝኽሰት ይሕብሩ። በዚ ኩነታት ብዝያዳ ዝጥቃዓ ደቂ ኣንስትዮ እየን። ኣብ ብሪጣንያ እቶም ግዳያት እዚ ንነዊሕ ዝጸንሕ ዓይነት ኮቪድ ካብ ዝኾኑ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት እቶም ዝበዝሑ፡ ድልዱል ሰብነት ዝነበሮም፣ ስፖርት ዘዘውትሩን ሰብ ሙሉእ ጥዕናን መንእሰያት እዮም። ኣብዚ እዋን ኣብታ ሃገር ኣስታት ሚኢቲ ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ምስ ተለኽፉ ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ዝተፈላለየ ምልክታት ከም ዘርኣዩ መረዳእታታት የመልክቱ። ኣነ ግን ዘጨንቐኒ፡ እቲ ሕማም እንታይ እዩ? ብኸመይከ እዩ ክሓዊ ዝኽእል? ዝብል'ዩ። ናይ ስድራይ ጫቚጫቚ ኮነ፡ ዝኾነ ብርሃን ወይ መብራህቲ ስለ ዝደጉሓኒ ንበይነይ ኣብ ጸልማት ገዛ ኮፍ ክብል እመርጽ። እቲ ጸልማት ክፍሊ ድማ ክትሃድመሉ ወይ ክትወጽኦ ዘይትኽእል ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ ይስመዓኒ። ዝደቀስኩሉ ዓራት፡ ልክዕ ከም ዝቐነነት\/ዝዘንበለት መርከብ ወይ ዘይህዱእ ባሕሪ ኮይኑ ይስምዓኒ። ነዚ ከምዚ ዝበለ ፍርሒ፣ ተነጽሎን ብሕትውነትን ክገልጾ ብዘይምኽኣለይ ናብ ስርሐይ ክምለስ ከም ዘይክእል ንነብሰይ ከእምና ኣገዲዱኒ። ንደቀይ ቀኒዐ ከናብዮም ወይ ዝሓሸ ዕድል ስራሕ ክርኢ ዘይክእል ሰብ ኮይነ ከይተርፍ እፈርሕ። ዕድላት ሓገዝ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ዝጸሓፍክዎ ዓንቀጽ ኣብ ቢቢሲ ኒውስ ምስ ተሓተመ ብዙሓት ሰባት ኣዘራሪቦምኒ፤ ክሕግዙኒ'ውን ቃል ኣትዮምለይ። ካብ ኣወስትራሊያ፣ ፈረንሳ፣ ሰሜን ኣሜሪካን ኔዘርላንድስን ሰባት ረኺቦምኒ። ብዙሓት ካብኣቶም ሓዘኖም ብምግላጽ ጥዕና ተመንዮምለይ። ሓልዮቶም ዝገለጹለይን ብዙሓት ካልኦት በቲ ዘጋጠመኒ ተመሳሳሊ ሕማም ናይ ዝሳቐዩ ቤተሰቦም ኩነታት ሓቲቶምኒ። ንኹሉ ሕቶታቶም ዝምልስን ዘዕግብን መልሲ ክህቦም ዓቕሚ ኣይረኸብኩን። ካብቶም ዝረኸብኩዎም ሰባት ሒደት ዘይኮኑ ካብቲ ኣጋጢሙኒ ዘሎ ኩነታት ፈጺመ ክሓዊ ከም ዘይክእልን ኣሜን ኢለ ክቕበሎን ሓቢሮምኒ። ኣነ ግን ኣይተቐበልክዎን፤ ኣመጋግባይ ካብ ምቕያር ኣትሒዘ ዝተፈላለዩ ሜላታት ክፍትን ጀሚረ። ኣብ መንጎ እናዕረፍኩ ብእግረይ ክጓዓዝ ጀሚረ። ካብ ገዛይ ወጺአ ቁሩብ ክንቀሳቐስ ዝረኣዩኒ ሰባት ጨሪሰ ዝሓወኹ ከይመስሎም እሰግእ። ብትካላትን ውልቀ ሳበትን ንዝቐርበለይ ሓገዝ ክቕበል'ኳ እንተኸበደኒ ሓገዝ ከም ዘድልየኒ ግን ተገንዚበ ኣለኹ። መግቢ ክሰርሕ ወይ ክሽነ ኣትየ ኣቑሑ ክሓጸብ ነዓይ ከቢድ ፈተና'ዩ። ጎረባብትና ኣብ ሰሙን ክልተ ጊዜ መግቢ እናሰርሑ ከቕርቡልና ጀሚሮም። ሰኑይን ሓሙስን ጽቡቕ ናይ ገዛ መግቢ ብመንደቕ ኣስጊሮም የቐብሉና። መሓዙተይ ድማ ንደቀይ ይከናኸንኦም። ዝሓገዙኒ ነገራት ንኹሉ ሰብ ዘይክሕግዝ ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ ንኹነታተይ ቁሩብ ዝሓገዘኒ ነገራት ኣሎ። እቲ ቐዳማይ ነገር ዮጋ እዩ፤ ምስ ኣተነፋፍሳይ ብዝተሓሓዝ ዓብዪ ረብሓ ረኺበሉ። እቲ ካልእ ድማ ኣኩፓካንቸር [ቻይናውያን ንዝተፈለላየ ሕማማት ዝፍውስሉ ናብቲ ቃንዛ ዝስምዓካ ክፍሊ ኣካል ዝውጋእ መርፍእ] እዩ። ሕማመይ ኣብ ምንካይ ሓጊዙኒ። ኣልኮላውን ዘነቓቕሕ ካፌይን ዘለዎ መስተን እውን ገዲፈዮም። ንኣተነፋፍሳይ ክሕግዘኒ ክደርፍ ጀሚረ። ከም ዝሓሸካ ምእማን ንባዕሉ ወሳኒ ናይ ምሕዋይ መገዲ'ኳ እንተኾነ ጸጽብቑ ጥራሕ ክትሓስብ ምኽኣል ግን ቀሊል ኣይኮነን። ናብ ስራሕ ምምላስ በዓለ ልደት [ክሪስማስ] ምስ ኣተወ፡ ጓለይ ናብ ዝሓሸ ኩነታት ጥዕና ተመሊሳ። ኣነ'ውን ኣብ ወርሒ ጥሪ ክድልድል ጀሚረ። መርዘነይ ከም ቀደሙ ኣይኮነን ፈዅሲኒ። እቲ ጽርውሩው ዝብለኒ ዝነበረ ግን ክሳብ ሎሚ ኣሎ። ኣብ መላግቦ ኣካላተይ ዝነበረ ቃንዛ ግን ቁሩብ ነኪዩ'ሎ። ብምስትንፋስ ከይተጨንቕኩ ክዛረብ ኪኢለ ኣለኹ። ክሰርሕ ዝኽእል እንተኾይነ ተመርሚረስ ውሑድ ሰዓታት ክሰርሕ እውን ተሰማሚዐ። ፈለማ፡ ኣብ ሰሙን ተመቓቒሉ ኣርባዕተ ሰዓት ጥራሕ ክሰርሕ ከም ዝኽእል ተሓቢሩኒ። ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ስራሕ ብጽቡቕ ሰሪሐ ልዑል ታሕጓስ ተሰሚዑኒ። ብድሕሪኡ ግን ሓደ ንግሆ ክትንስእ እንተደለኹ ሓያል ረስንን ከቢድ ቃንዛ ኩሊትን ተሰሚዑኒ። ብሰንኪ'ቲ ዝገበርክዎ ምንቅስቓስ ዝተፈጠረ ክኸውን ከም ዝኽእል ጥርጣረ'ኳ እንተነበረኒ እቲ ስምዒት ግን ልክዕ ከምቲ ቅድሚ 11 ኣዋርሕ ዝነበርክዎ'ዩ ተመሊሱ። ምስ ተመርመርኩ፡ 'ኮቪድ ኣለኪ' ተባሂለ። ኣዝዩ ዘሰንብድ ነይሩ። እቲ ምልክታት ተመሳሳሊ እኳ እንተነበ ረስኒ ሰብነተይ ግን ከምቲ ናይ ቅድም ኣይነበረን። 10 መዓልታት ደቂሰ ከሕልፎ ተገዲደ፤ ብድሕሪኡ ከኣ መሊሰ ደሓን ኮይነ። ጸገም ኣብ ስርዓተ ምስትንፋስ ኣብ ጓለይ ዝረኣዩ ዝነበሩ ምልክታት'ውን ተመሊሶም፤ ከቢድ ቃንዛ ክስምዓ ጀሚሩ። ስርዓተ ኣተነፋፍስኣ እናኸፍአ ብምምጽኡ ብቖጸራ ንሆስፒታል ከይዳ። ተስፋ ናይ ምቑራጽ ስምዒት ተሰሚዑኒ። ነቲ ናይ ሆስፒታል መግብን ኣብኡ እተሕልፎ ለይትን ኣዝያ'ያ ትፈትዎ። ዝተገበረላ መርመራ ኣብ ስርዓት ኣተነፋፍስኣ ጸገም ከም ዘለዋ ዘርኢ እዩ ነይሩ። ነዚ ንምምሕያሽ ከኣ መዓልታዊ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክትገብር ነይሩዋ። መብዛሕቲኦም ንነዊሕ እዋን ብዝጸንሕ ኮቪድ ዝተጠቕዑ ሰባት ጸገም ምስትንፋስ ኣለዎም። ስርዓት ኣተነፋፍሳ ንምምሕያሽ ከኣ ናይ ፊዝዮቴራፒስት ሓገዝ የድሊ። ኣነ'ውን ተመሳሳሊ ጸገም ጥዕና ከም ዘለኒ ፈለጥኩ። እቲ ጽቡቕ ዜና፡ ከምዚ ዓይነት ጸገም ስርዓተ ኣተነፋፍስ ብሕክምና ክምለስ ዝኽእል ምዃኑ'ዩ። እቲ ዘየሐጉስ ወይ ዘሰንብድ ሸነኹ ከኣ ነቲ ሕማም ምሉእ ንምሉእ ንኽተለልዮ ክሳብ ልዕሊ ሓደ ዓመት ክወስድ ዝኽእል ምዃኑ'ዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ ተወሰኽቲ ምርመራታት ኣካላት ምስትንፋስ ንምግባር ይጽበ ኣለኹ። ለውጢ ዝሓለፈ ዓመት ሓይለይ ድኹም እዩ ነይሩ። ሎሚ ግን ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ኣለኹ። እትረፍ ንኣዋርሕ ዝጸንሕ ሕማም ርእስን ቃንዛ መላግቦን ናይ ሓንቲ መዓልቲ ሕማም ርእሲ እውን መትከር'ዩ። ሎሚ ወርሒ ሓምለ'ዩ። ካልእ ብዙሕ ስራሕ ከይሰራሕኹ እንተውዒለ ሓንቲ ምልእቲ ፊልም ርእየ ክውድእ ዓቐሚ ኣለኒ። ንሓጺር ርሕቐት እውን ሳይክል ክዝውር እኽእል። ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ስድራይ ንዕረፍቲ ክወጽእ መደብ ኣለኒ። ሽዑ ኣብ ባሕሪ ክሕምብስ ክፍትን'የ። ምስ ደቀይ ናይ እግሪ ጉዕዞ ክገብርን ክጻወትን እውን ዓቐሚ ኣለኒ። ኩሉ ዝደለኽዎ ነገር ክገብር ግን ኣይክእልን። ኣብ ኩሉ ዝገብሮ ምንቅሳቓስ ቁሩብ ዕረፍቲ ክወስድ ናይ ግድን'ዩ። እዚ ለውጢ ግን ኩነታተይ ናብ ስሩዕ ተመሊሰ ማለት ኣይኮነን። ናብቲ ቅድሚ ኮቪድ ዝነበርክዎ ደረጃ ገና ኣይተመለስኩን። ብዙሓት ናብ ንቡር ጥዕንኦም ክምለሱ እንከለዉ ኣነ ግን ገና ብዙሕ ዝተርፈኒ ጉዕዞ ኣሎ። ምሉእ ክታበት ኮሮናቫይረስ እንተወሰድኩ'ኳ ንሳልሳይ ጊዜ ከይተሓዝ ግን ኣዝየ እፈርሕ'የ። ብዙሓት ሰባት ካብዚ ንነዊሕ እዋን ምሳኻ ዝጸንሕ ኮቪድ ከም ዝሓወዩ ክሓሰብን ኣነ'ውን ከምኦም ክሓውን ከም ዝኽእል እሓስብ። ሎሚ ጽቡቕ ምምሕያሽ ገይረ ኣለኹ። ኣብ ዝሓለፈ ነቲ ቀዳማይ ጽሑፈይ ክጽሕፍ ነዊሕ ጊዜ'ዩ ወሲዱለይ። ንብምሉኡ እቲ ጽሑፍ ኣብ ዓራት ኮይነ ብሓንቲ ኣጻብዕተይ ኣብ ሞባይለይ እየ ጽሒፈዮ። ኣብ ምጅማር እዚ ዓመት ነዚ ጽሑፍ ክጽሕፍ እንከለኹ ኣእዳወይ ይንቅጥቀጥ ነይሩ። ሎሚ ኮፍ ክብልን ክሰርሕን ከምኡ ድማ ንቀረጻ ፊልም ክወጽእን ኪኢለ ኣለኹ። እንተዘይክእል ግን ነቲ ሰነዳዊ ስራሕ ክሰርሕ ፍቓደኛ ኣይምኾንኩን። ናይ ካልኦት ሰባት ዛንታ ምጽሓፍ'ዩ ዘሕጉሰኒ። ናይ ብዙሓት ሕሙማት ዛንታ ምስማዕን፤ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ዓይነት ኮቪድ ምርምር ንዝገብሩ ምሁራት ቃለ መሕትት ምክያድን ኣዝዩ ዝምስጥ'ዩ። ብዛዕባ እዚ ሕማም እኹል ግንዛበ ንምርካብ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝካየድ ምርምር ቀጺሎ። ሎሚ'ውን ግን ንመንቀሊኡን ሕክምንኡን ብዝምልከት ብዙሕ መልሲ ዘድልዮም ሕቶታት ኣለዉ። ንዓይ ዝተረደኣኒ ሓደ ነገር ግን ኣሎ። በዚ ኣብ ሰብነትካ ንነዊሕ ክጸንሕ ዝኽእል ዓይነት ኮቪድ ዝተትሓዙ ሰባት ንበይኖም ክጻወርዎ ዝኽእሉ ዓይነት ሕማም ከም ዘይኮነ'ዩ። ሰባት ንመሓዙቶምን ቤተሰቦምን ክሕግዙ ኣለዎም። ትኽክለኛ ምርመራን ሕክምናዊ ሓገዝን ምርካብ ከኣ ኣገዳሲ ይኸውን። ንነዊሕ እዋን ዝዘልቕ ኮቪድ ንዝተፈላለዩ ሰባት ብዝተፈላለየ መገዲታት ክጸልዎም ይኽእል'ዩ።","category":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58038182"} {"headline":"ኢሎን መስክ፡ ድሕሪ ሕጂ ዝሃብተመ ሰብ ዓለምና ኣይኮነን","content":"ኢሎን መስክ፡ ዋጋ መሸጢ ብጽሒታት እቲ ዝውንኖ ኣፍራዪ ኤሌክትሪክ መኪና - ተስላ፡ ኣብዚ ዓመት ኣዝዩ ምቕናሱ ስዒቡ፡ ቦታ ዝሃብተመ ሰብ ዓለም፡ ስኢኑ ኣሎ። ከም ጸብጻብ ፎርብስን ብሉምበርግን፡ መስክ ብዋና ፈጻሚ እቲ ናይ ምቾት ኣቑሑት ዘፍርይ ትካል ኤል ቪ ኤም ኤች ዝኾነ በርናርድ ኣርናውልት እዩ ተበሊጹ። ዋና ፈጻሚን ወናኒ ዝለዓለ ብጽሒትን ተስላ ዝዀነ መስክ ኣብቲ ትካል ዝለዓለ መጠን ብጽሒት 14 ሚእታዊት ከምዘለዎ እዩ ዝግመት። ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ድማ ን ትዊተር ብ 44 ቢልዮን ዶላር ምግዝኡ ይዝከር። ብመሰረት ጸብጻብ ፎርብስ ሃብቲ መስክ 178 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ኰይኑ፡ ሃብቲ በርናርድ ኣርናውት ግን 188 ቢልዮን ዶላር እዩ። መስክ ንትዊተር ንምግዛእ ዝነበሮ ውዕል ድሕሪ ነዊሕ ናይ ሕጊ ምስሕሓባት ዝተወድአ ኰይኑ፡ ኣቓልቦኡ ናብ ትዊተር ምግባሩ ንቕልጡፍ ምንቁልቋል መሸጣ ተስላ ምኽንያት ክኸውን ከምዝኽእል ዝገልጹ ኣለዉ። ኣብ ትዊተር ዝተወሰነ ብጽሒት ዝነበሮ መስክ፡ ነቲ ትካል ዝኸፈሎ 44 ቢልዮን ዶላር እውን ኣዝዩ ክቡር ከይኮነ ኣይተርፍን። ኣብ ሓምለ ስኑዓት ኣካውንትታት በዚሖም ብዝብል ካብቲ ውዕል ክወጽእ'ኳ ፈቲኑ እንተነበረ፡ ሓለፍቲ ትዊተር ግን ነቲ ዘቕረቦ ናይ ዕድጊ ሕቶ ክፍጽም ከሲሶምዎ ነይሮም። ምስ ዕድጊ እቲ ትካል ተተሓሒዙ ዝተርኣየ ምግልባጣት ተቐባልነት እቲ ሃብታም ክቕንስን ዋጋ ተስላ ክወድቕን ምኽንያት ከምዝኾነ በዓል ሞያ ኢንቨስትመንት ዳን ኣይቪስ ይገልጽ። እቲ ሃብታም ንትዊተር ንምግዛእ፡ ኣብ ተስላ ካብ ዝነበሮ ብጽሒት ብቢልዮናት ዶላራት ዝግመት ዝሸጠ ኰይኑ እዚ ድማ ዋጋ ብጽሒታት እቲ ትካል ክወርድ ምኽንያት ኮይኑ። ምድኻም ቁጠባ ስዒቡ ጠለብ ብኤሌከልትሪክ ዝሰርሓ መካይን ክዳኸም ከምዝኽእል ከምኡ ድማ ምውሳኽ ወለድ ልቓሕ ድልየት ዓደግቲ ከዳኽም ከምዝኽእል ኣውፈርቲ ከጠንቅቝ ጸኒሖም እዮም። ተስላ ብምኽንያት ጕድለታት ብዙሓት መካይን ካብ ዕዳጋ ምምላሱ፡ ምስ ሓደጋ ተተሓሒዙ መንግስቲ ዝገብሮ ምርመራታትን ትሕዝቶ ናይተን ብዘይ ዘዋሪ ዝኸዳ መካይንን እውን ክሳራታት ኣጋጢምዎ እዩ።","category":"ትዊተር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cn0j447944go"} {"headline":"መንግስቲ ናይጀርያ ኣብታ ሃገር ትዊተር ዝጥቀሙ ሰባት ብሕጊ ከምዝሕተቱ ኣጠንቂቑ","content":"ናይጀርያ ኣብ ልዕሊ ማሕበታዊ መራኸቢ ትዊተር ንዘንበረቶ እገዳ ዝጥሕስ ዝኾነ ይኹን ሰብ ካብ ተሓታትነት ሕጊ ከምዘየምልጥ ወሃቢ ቓል መንግስቲ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ትዊተር ኣብታ ሃገር ኣገልግሎት ከይህብ ከምዝተገበረ መንግስቲ ናይጀርያ ብዓርቢ ወግዓዊ ምግባሩ ይፍለጥ። ብድሕሪ’ቲ ውሳነ ድማ ተጠቀምቲ ትዊተር ነቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ብሞባይል ንኸይጥቀሙ ኔትወርክ ክዕጸው ተገይሩ። እንተኾነ ገለ ሰባት ነቲ እገዳ ብምጥሓስ ይጥቀሙ ኣለዉ ተባሂሉ። ናይጀርያ ንትዊተር ክትእግድ ዝኸኣለት፤ ፕረዚደንት ሙሓማዱ ቡሃሪ ንመምርሒታት እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝጥሕስ ትሕዝቶ ጠቂዑ ብዝብል ነቲ ትሕዝቶ ምስኣለዮ እዩ። ፕረዚደንት ቡሃሪ ኣብ ዝጠቀዖ መልእኽቲ፡ ኣብ ደቡብ-ምብራቕ ክፋል እታ ሃገር ዘሎ ተፈንጫሊ [ናይ ምንጻል] ምንቅስቓስ ንምዕጋስ ነቲ ቅድሚ 40 ዓመታት ኣብታ ሃገር ተወሊዑ ዝነበረ ኲናት ሓድሕድ ጠቒሱ ከፈራርሕ ከምዝፈተነ ይግለጽ። ትዊትር ነቲ ትሕዝቶ ምእላዩ “ዘቖጥዕ’ዩ” ዝበለ መንግስቲ ናይጀርያ እቲ ሕዚ “ንግዚኡ” ኣገልግሎቱ ክቋረጽ ዝተወሰነሉ ምኽንያት ግን በዚ ጥራሕ ከምዘይኮነ ሓቢሩ። “ኣብዛ ሃገር ምስቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተሓሓዙ ጸገማት ነይሮም ’ዮም። ብኡ ኣቢሎም ዝፍነዉ ዘጋግዩ ሓበሬታታትን ስኑዓት ዜናታትን ብዙሕ ሳዕቤት’ዮም ኣኸቲሎም” ይብል መግለጺ መንግስቲ። ትዊተር ብወገኑ፡ ሚንስተር ሓበሬታን ባህልን ላይ ሞሓመድ ብዓርቢ ነቲ እገዳ ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ “ኣዝዩ ዘሻቕል” ክብል ገሊጽዎ። ውሳነ መንግስቲ ናይጀርያ ካብ ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላት ሰፊሕ ተቓውሞ ዝገጠሞ ኮይኑ፤ ኣብታ ሃገር ናጽነት ዘረባ ዝግድብ ከምዝኾነ ተሓቢሩ። ወሃቢ ቓል መንግስቲ ኡማር ግዋንዱ፡ እቲ ውሳነ ንትካል ትዊትርን ኣብታ ሃገር ንዘለዉ ተጠቀምቲ እቲ ማሕበራዊ መራኸብን ከምዝምልከት ንቢቢሲ ሓቢሩ’ሎ። እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ “ሃይማኖታዊ፣ ዓሌታዊ፣ ጽልኢ ወጻእተኛታትን ስኑዓትን መልእኽትታት ክዝርግሑ” ከፍቅድ ምጽንሑ ዝገለጸ እቲ ወሃቢ ቓል “እዚ ድማ ንገለ ሃገራት ክበታትን ከምዝኽእል” ተዛሪቡ። ኣብዚ እዋን ኣገልግሎት ኢንተርኔት ሞባይል ዘቕርቡ ትካላት ሰባት ትዊተር ከይጥቀሙ ክገብሩ መምርሒ ከምዝተወሃቦም ተፈሊጡ’ሎ።","category":"ትዊተር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57374068"} {"headline":"ጆ ባይደን ስለምንታይ ፕረዚደንታዊ ናይ ትዊተር ገጽ ከም ሓድሽ ክጅምር ተገዲዱ?","content":"ተመራጺፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ሓድሽ ወግዓዊ ፕረዚደንታዊ ናይ ትዊተር ገጽ ዝኸፈተ ኮይኑ ተኸታሊ ስለዘይነበሮ ሓደ ኢሉ ክጅምር ተገዲዱ ኣሎ። እዚ ከኣ ካብ'ቲ ፕረዚደንት ነበር ባራክ ኦባማ ንፕረዚደንት ትራምፕ ዘሰጋገረሉ መስርሕ ዝተፈለየ ብምዃኑ ንደገፍቲ ባይደን ከምዘሕዘነ ይግለጽ። እቲ ሓድሽ ብተመራጺ ፕረዚደንት ዝተኸፈተ ናይ ትዊተር ገጽ፡ ባይደን ድሕሪ ሒደት መዓልታት ቃለ መሓላ ፈጺሙ ስልጣኑ ምስተረከበ 'ፕረዚደንት ጆ ባይደን' ናብ ዝብል ወግዓዊ ገጽ ክቕየር እዩ። ብስም ባይደን ዝተኸፈተ ሓድሽ ናይ ትዊተር ገጽ ኣብ ውሽጢ 6 ሰዓታት ጥራይ 4 ሚኢቲ ሽሕ ተኸተልቲ ረኺቡ ኣሎ። ጆ ባይደን ቅድሚ ሕጂ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ናይ ውልቁ ትዊተር ኣስታት 24 ሚልዮን ሰዓብቲ ነይርዎ። ጉጅለ ምምሕዳር ጆ ባይደን ንናይ ቀጻሊ ቀዳማዊት እመቤት ጂል ባይደን’ውን ሓድሽ ናይ ትዊተር ገጽ ኣመዝጊቡ። ዶናልድ ትራምፕ ካብ ፕረዚደንት ነበር ባራክ ኦባማ ዝወረሶ ናይ ትዊተር ገጽ ኣስታት 13 ሚልዮን ሰዓብቲ ዝነበርዎ ኮይኑ ሕጂ ግን እዚ ወግዓዊ ገጽ ናብ ጆ ባይደን ክሰግር ኣይከኣለን። እቲ ብትዊተር ዝተወሰደ ስጉምቲ ንጉጅለ ጆ ባይደን ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ዝተገለጸ ኮይኑ እቲ ሓድሽ ምምሕዳር ካብ ባዶ ክጅምር’ዩ። ትዊተር ናብዚ ውሳነ ዝበጽሓሉ ምኽንያት ኣይተገለጸን። “እቲ ሓድሽ ምምሕዳር ሰዓብቱ ካብቲ ነባር ምምሕዳር ብቐጥታ ክውስድ ኣይኽእልን” ዝበለ ትዊተር ስለምንታይ ከምኡ ከምዝበለ ግን ምኽንያቱ ብግልጺ ኣየነጸረን። ንሰዓብቲ ወግዓዊ ትዊተር ገጻት ፕረዚደንትን ምክትሉን ከምኡ'ውን ተኸተልቲ ውልቃዊ ትዊተር ገጻት ባይደንን ሓዳሽ ተመራጺት ምክትል ፕረዚደንት ካሚላ ሃሪስን እቲ ሓድሽ ዝተኸፈተ ወግዓዊ ናይ ባይደን ክስዕብዎ ዘኽእል ሓበሬታ ክበጽሖም ከምዝግበር ትዊተር ኣፍሊጡ። ባራካ ኦባማ ወግዓዊ ናይ ትዊተር ገጽ ዝውንን ፈላማይ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይኑ ኣብ 2015 እዩ ተኸፊትሉ። እቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝብል ገጽ ነቲ ሓድሽ ምምሕዳር ናይ ትራምፕ ብወግዒ ዘሰጋግር ጉጅለ ተጣይሱ ድማ ፕረዚደንት ትራምፕ ክጥቀመሉ ጸኒሑ። ፕረዚደንት ነበር ባራክ ኦባማ ኣብ ዘበነ ስልጣኑ ‘ትዊት’ ዝገበሮም ጽሑፋት ብዝተፈለየ ሜላ ካብ ውሉድ ወለዶ ክሰጋገሩ ኣለዎም ተባሂሉ ክሳብ ሎሚ ክንበቡ ይኽእሉ እዮም። ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ናይ ባዕሉ ወግዓዊ ናይ ትዊተር ገጽ ድኣ እምበር ነቲ ብሽም ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝተኸፈተ ናይ ትዊተር ገጽ ብዙሕ ክጥቀመሉ ኣይተረኣየን። ትዊተር ብዛዕባ እቲ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ዝኣገዶ ናይ ዶናልድ ትራምፕ ትዊተር ዋላ ሓንቲ ዝበሎ ነገር የለን። ብዛዕባ እቶም ዝሓዞም መርትዖታት ንታሪኽ’ኳ ሰኒድዎ እንተኾይኑ ተሓቲቱ ምላሽ ክህብ ፍቓደኛ ኣይኮነን።","category":"ትዊተር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55687681"} {"headline":"ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ናይጀርያ ትዊተር ንዝኣገደ ፕረዚደንት ቡሃሪ ንኢዱ","content":"ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ትዊተር ኣብ ናይጀርያ ንዝኣገደ ፕረዚደንት ሙሓማዱ ቡሃሪ ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ። ትዊተር ‘ንመምርሕታተይ ኣየኽበረን’ ብዝብል ብፕረዚደንት ቡሃሪ ንዝተጠቅዐ መልእኽቲ ስለዝኣለየ እዩ ኣብ ሞንጎ እቲ ማሕበራዊ መራኽብን መንግስቲ ናይጀርያን ዘይምቅዳው ዝተፈጠረ። “ንነብሶም እከያት ኮይኖም ሰናይ ካብ እከይ ክንፈልይ ኢና ዝብሎ መን ስለዝኾኑ’ዮም?” ኢሉ ትራምፕ ኣብ መግለጺኡ። ካልኦት ሃገራት እውን ትዊተርን ፌስቡክን “ነጻን ግልጽን ሓሳብ” ብዘይምፍቃዶም ናይ እገዳ ስጉምቲ ክወስዳ ጸቂዑ’ሎ። ትራምፕ ነቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ህንጻ ካፒቶል [ህንጻ ኮንግረስ ኣመሪካ] ንዝተወለዐ ዓመጽ ስዒቡ ካብ ክልቲኦም ማሕበራዊ መራኸብታት ከምዝተኣገደ ይዝከር። ቅድሚን ድሕሪን እቲ ዓመጽ ዝጠቅዖም መልእኽታት ነቲ ወጥሪ ዘጓሃሃሩ ምንባሮም’ዩ ዝግለጽ። ትዊትር ንትራምፕ ብቐዋምነት ከምዝኣገዱ ወግዓዊ ክገብር ከሎ፤ ፌስቡክ ብወገኑ ንኢንስታግራም እቲ ፕረዚደንት ሓዊሱ ንኽልተ ዓመት ከምዝኣገደ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጡ። ብዛዕባ ናይጀርያ እንታይ በለ? “ሃገረ ናይጀርያ ፕረዚደንታ ንዝኣገደ ትዊተር ብምእጋዳ እንኳዕ ሓጎሰኪ ክብል እፈቱ” ይብል ትማሊ ዝተፈነወ መግለጺ ዶናልድ ትራምፕ። ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንፌስቡክ ክእግዶ ከምዝነበሮ ዝሓበረ ትራምፕ ግን ከኣ ሓለቓ እቲ ኩባንያ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝኾነ ማርክ ዙከርበርግ “ብተደጋጋሚ እናደወለን ናብ ዋይት ሃውስ ንድራር እናመጽአን ከመይ ጽቡቕ ከምዝነበርኩ ይነግረኒ ነይሩ” ኢሉ። መበል 45 ፕረዚደንት ኣሜሪካ ኮይኑ ዘገልገለ ትራምፕ ካብ ትዊተርን ፌስቡክን ካብ ዝተኣገደሉ እዋን ጀሚሩ ብዙሕ ቆልሕታ ክረክብ ኣይከኣለን። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መልእኽቲታቱ ከሕልፈሉ ብምሕሳብ ዘኽፈቶ ዌብሳይት እውን ብዙሕ ተጠቃሚ ብዘይምርካቡ ተዓጽዩ’ሎ። ናይጀርያ ስለምንታይ ንትዊተር ኣጊዳ? ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ “ዝተዛብዑ ሓበሬታታትን ስኑዓት ዜናታትን ክዝርግሑ ብምፍቃድ ንሓድነት ናይጀርያ ተፈታቲኑ ይብሉ። ብፕረዚደንት ቡሃሪ ንዝተጠቅዐ መልእኽቲ ምእላዩ ስዒቡ ድማ ኣብታ ሃገር ተኣጊዱ። ቅድሚ 40 ዓመታት ኣቢሉ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ንዝነበረ ኲናት ሓድሕድ ብምጥቃስ ነቲ ኣብ ደቡብ-ምብራቕ ናይጀርያ ዝስጉም ናይ ምንጻል [ምግንጻል] ምንቅስቓስ ከፈርርሕ ፈቲኑ ብዝብል’ዩ መልእኽቲ እቲ ፕረዚደንት ካብ ትዊተር ዝተኣለየ። ብተግባር ትዊተር “ከምዘቖጥዖ” ዝገለጸ መንግስቲ እታ ሃገር ናብዚ ናይ እግድ ውሳነ ዝበጽሐ ግን በዚ ምኽንያት ጥራይ ከምዘይኮነ ኣዘኻኺሩ። ሚንስተር ሓበሬታ ሊያ ሞሓመድ ንቢቢሲ መደብ ‘ፎካስ ኦን ኣፍሪቃ’ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፤ መራሒ ነጻሊ ጉጅለ ኢፖብ ዝኾነ ኛማዲ ካኑ ነቲ ማሓበራዊ ሚድያ ተጠቒሙ ኣንጻር መንግስቲ ግዝኣት ደቡብ-ምብራቕ መጥቃዕቲ ክፍጸም ከምዘለዓዕል ኣረዲኣ። ኣብዚ እዋን ጉጅለ ተጣበቕቲ መሰላት፡ እታ ሃገር ንትዊተር ምዕጻዋ ብምቅዋም ነቲ ጉዳይ ናብ ዞባዊ ቤት ፍርዲ ምዕራብ ኣፍሪቃ ከምዝወድዎ ተፈሊጡ’ሎ። ምዕራባውያን ሃገራትን ተወከልቲ ጠበቓታት ናይጀርያን እውን ነቲ ተግባር ኮኒኖም። ትዊተር ብወገኑ “በቲ እግድ ኣዝየ ተሻቒለ ኣለኹ” ኢሉ።","category":"ትዊተር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57425060"} {"headline":"ኮቪድ-19፡ ትዊተር ሰራሕተኛታቱ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክሰርሑ ኣፍቂዱ","content":"ትዊተር፡ ሰራሕተኛታቱ ግዳያት ቫይረስ ኮቪድ-19 ንከይኮኑ ኣብ ገዛ ኮይኖም ክሰርሑ ምዒዱ። እቲ ትካል ኣብ ሆንግ ኮንግ፣ ጃፓንን ሰቡብ ኮርያን ዝርከቡ ሰራሕተኛታቱ ግድን ከም ዝኾነ ብምግላጽ፡ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምግታእ ኣብ ራሕቒ ኮይኖም ክሰርሑ ይግባእ ኢሉ። ኣብ መላእ ዓለም ዘለው 5 ሽሕ ሰራሕተኛታቱ እንተኾነ'ውን ናብ ስራሕ ከይመጽኡ፡ \"ኣዝዩ ዝተባባዕ\" ምኻኑ ሓቢሩ። ትዊተር፡ ሰራሕተኛታቱ፡ ኣድለይቲ ናብ ዘይኮኑ ጉዕዞታትን መድረኻትን ከይጉዓዙ እውን ዝኸልኸለ ኮይኑ፡ ኣብዚ ወርሒ ኣብ ቴክሳስ ካብ ዝወሃብ ኮንፈረንስ ሚዲያ ከም ዘንሰሓበ ኣፍሊጡ። ሓላፊት ሓይሊ ሰብ ትዊተር ጀኒፈር ክሪስቴ፡ \"ዕላማና ብኮቪድ-19 እንጥቅዐሉን እነዛምተሉን ዕድል ንምንካይን እዩ\" ኢላ። ዋና ፈጻሚ ስራሕ ትዊተር ጃክ ዶርሰይ፡ ኣብ ራሕቒ ኮይንካ ስራሕ ምስራሕ ዝድግፍ ኮይኑ፡ ወርሒ ሕዳር 2019 ንሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ኣፍሪቃ ክነብር ከም ዝደሊ ገሊጹ ነይሩ። እዚ ስጉምቲ፡ ኣብ ኤዥያ ዝርከባ ብርክት ዝበላ ኩባኒያታት ግብራዊ ገይረንኦ እየን። ካልኦት ገዘፍቲ ኩባኒያታት ፌስቡክን ጉግልን ድማ ኣብ ኣሜሪካ ዝነበረ ዋዕላ ንኻልእ እዋን ኣስጊሮምዎ ወይ'ውን ሰሪዘሞ'ዮም። ከም ቴልኮም ኤኤንድቲ፣ ሲሰቲ ግሩፕ ድማ ዓለምለኻዊ ጉዕዞ ብፍላይ ድማ ናብ ኤዥያ ኸልኪሎም'ዮም። እዞም ስጉምታት፡ ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት ቑጽሪ ልዕሊ 3 ሽሕ ከም ዝበጽሐ ምስተነግረ'ዮም ዝውሰዱ ዘለው። እዚ ብኤዥያ ዝጀመረ ቫይረስ ኮቪድ-19፡ ናብ ኣሜሪካ፣ ኤውሮፓን ማእኸላይ ምብራቕን በጺሑ ኣሎ። ብሰፊሑ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝላባዕ ዘሎ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ሆንግ ኮንግ ከቢድ ጭንቀትን ጸገማት ጥዕና ኣእምሮን ይፈጥር ኣሎ። ኣብ ሆንግ ኮንግ 100 ሰባት በዚ ቫይረስ እንክጥቅዑ ካልኦት ክልተ ሞይቶም። ግን ድማ ኣብ 2003 ዓ.ም ተራእዩ ብዝነበረ ቫይረስ ሳርስ 300 ሰባት ብምሟቶም፡ እዚ ተመሳሳሊ ክስተት ብዙሓት ሰባት ከም ዘጨነቐ ይግለጽ። ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ዩኒቨርሲቲ ሆንግ ኮንግ ከም ዘመላኽቶ ሓደ ሲሶ ዓበይቲ ነበርቲ፡ ድሕሪ ሓደጋ ብዝመጽእ ስነኣእምሮኣዊ ጭንቀት [ፖስት ትሮማቲክ ዲስኦርደር]፡ ካልኦት 11 ሚኢታዊት ድማ ንቃዝኖት ተቓሊዖም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ሆንግ ኮንግ፡ ካብ ገዝኦም እዮም ዝሰርሑ ዘለው። ብተወሳኺ፡ ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን ኣብ ውሃን ዝርከቡ 533 ዜጋታታ ብምግዓዝ ን14 መዓልታት ንብሕቶም ከተቐምጦም'ያ። ኮይኑ ግን ኣብ ሆንግ ኮንግ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከምኡ'ውን መናጽሂ ኢድ ካብ ዝስኣን ነዊሕ ገይሩ። ፕሬዝደንት ደቡብ ኮርያ ሙን ጃይ-ኢን [ካብ የማን ኣብ ሳልሳይ ረድፊ ዝርአ]፡ ከምኡ'ውን ሚኒስትራቱ ገጾም ብመሸፈኒ ገጽ ተሸፊኖም ኣኼብኦም የካይዱ። እቲ ቢጫ ጃኬት ድማ፡ ምልክት መንግስቲ ንህጹጽ ኩነታት ዝህቦ ምላሽ እዩ። ሎሚ መዓልቲ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ቻይና ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ፡ ሓድሽ ረኽሲ ኮቪድ-19 ዘምጽኡ ዘለው ናብ ወጻእ ሃገራት በጺሖም ዝመጽኡ'ዮም ኢሎም። ካብ ግዝኣት ሁበይ ወጻእ ሸውዓተ ሓደሽቲ ግዳያት እንትርከቡ፡ ናብ ጥልያን በጺሖም ብዝመጽኡ ቻይናውያን'ዩ ኢሎም። ሸሞንቲኦም፡ ኣብ ጥልያን በዚ ቫይረስ ኣብ ዝተጠቕዐት ዞባ ሎምባርዲ ኣብ ዝርከብ ሓደ ሬስቶራንት ዝሰርሑ ምንባሮም ሓቢሮም። ብኻልእ ወገን ሕቡራት ሃገራት፡ ን12 መዓልታት ክካየድ መደብ ሒዝሉ ዝነበረ ዓመታዊ ጉባኤ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ሓደ መዓልቲ ኣጉዲሉ። መበል 64 ኣኼባ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ሕብረት ካብ 9 መጋቢት 2020 ጀሚሩ ንተኸታተልቲ 12 መዓልታት ኣብ ኒውዮርክ ክካየድን 12 ሽሕ ልኡኻት ክሳተፍሉን ተሓሲቡ ነይሩ። ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ኣፍሪቃ፡ \"ኣብ ውሽጢ ክልተ ሳምንታት\" ኩለን ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ መርመራ ኮሮናቫይረስ ከካይዳ ዘኽእለን ዓቕሚ ክህልወን ተስፋ ከም እትገብር ገሊጻ። ዶክተር ማቲሺዲሶ ሞቲ፡ 33 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣድላዪ መሰረተ ልምዓት ከም ዘለወን ንቢቢሲ ተዛሪባ። \"ኣብ ዝቕጽሉ ክልተ ሳምንታት ግን ኩለን 47 ሃገራት፡ እዚ ቫይረስ ንምርማር ዘኽእለን ቐረብ ክህልወን ንጽበ\" ኢላ። ቅድሚ ሓደ ወርሒ፡ ፈተነ መርመራ እዚ ቫይረስ ክገብራ ዝኸኣላ ግን ደቡብ ኣፍሪቃን ሰኔጋልን ጥራሕ እየን። እቲ ዝኸፍአ ነገር፡ ሰባት ንበይኖም ዝጸንሕሉን ዝሕከምሉን ቦታ ከይተዳለወ ኮቪድ-19 ናብ ከተማታት ኣፍሪቃ እንተተዛሚቱ ምዃኑ ዶክተር ማቲሺዲሶ ገሊጻ። ሰኔጋልን ሓድሽ ረኽሲ እዚ ቫይረስ ከም ዝረኣየት ኣፍሊጣ። ናይጄሪያ ካልእ ኮሮናቫይረስ ዝተርኣየላ ኣፍሪቃዊት ሃገር እያ። ቱኒዚያ፣ ስዑዲ ዓረብን ሞሮኮን እውን ብተመሳሳሊ ሓድሽ ረኽሲ ኮሮናቫይረስ ተራእዩወን ኣሎ። ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ትካላት መፍረ መድሓኒት ብቕልጡፍ ክታበት ከማዕብሉ ሓቲቱ። ትካል ጥዕና ዓለም ብወገኑ፡ እዚ ቫይረስ \"ፍሉይ\" እዩ፤ እንተኾነ ምቁጽጻር ዝከኣል'ዩ ኢሉ። ሰብ ሞያ ጥዕና ግን፡ ካብ 40-70 ሚኢታዊት ህዝቢ ዓለም ብኮሮናቫይረስ ክጥቃዕ ከም ዝኽእል የጠንቅቁ።","category":"ትዊተር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51716814"} {"headline":"ኮቪድ-19፡ ትዊተር ናይ 170 ሽሕ ደገፍቲ መንግስቲ ቻይና ኣካውንት ከምዝዓጸወ ኣፍሊጡ","content":"ትዊተር ኣብ ምንዛሕ ዕላማታት ቻይና ክሳተፉ ጸኒሒም ናይ ዝበሎም 170 ሽሕ ኣካውንት ከምዝዓጸወ ኣፍሊጡ። ዝበዝሑ ካብዞም ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ትዊተር ብዛዕባ ኣጀማምራ ኮሮናቫይረስ ዝገልጹ ምዃኖም’ውን እቲ ትካል ሓቢሩ። ካብቶም ዝተዓጸዉ እቶም 23 ሽሕን 750 ኣብ ንጡፍ ስራሕ ዝጸንሑ ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም 150 ሽሕ ነቲ ዝተጸሓፈ ኣብ ምጉላሕ ክነጥፉ ዝጸንሑ ምንባሮም ትካል ማሕበራዊ ሚድያ ትዊተር ገሊጹ። ትዊተር ኣብ ሩስያ ዝመደበሮም ዝንቡዕ ሓበሬታ ክነዝሑ ዝጸንሑ ኣካውንት ከመዝዓጸወ’ውን ወሲኹ ሓቢሩ'ሎ። እቲ ናይ ትዊተር መግለጺ እዘን ኣብ ቻይና ዝመደበረን ናይ ትዊትር ገጻት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚረን ብመንግስቲ ቻይና እናተደገፋ ኣብ ፌስ ቡክን ዩቱይብን ኣብ ፖለቲካዊ ኩነታት ሆንጎ ኮንግ ንዕላማታት መንግስቲ ቻይና ኣብ ምቅልጣፍ ምጽንሐን የብርህ። ትዊተር ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ነሓሰ 2019 ሓበሬታ ከምዝሃበ ብምግላጽ እቲ ሒ ኣካውንት ናይ ምድስካል ስርሑ መስርሓት ሓልዩ ከምዝቅጽ ኣዘኻኺሩ። ትካል ትዊተር “ንሓፈሻ እዘን ተዓጽየን ዘለዋ ኣካውንት ንሓድሕደን ብውህደት እየን ክሰርሓ ጸኒሐን፡ እቲ ጸሑፍ ብቋንቋ ቻይና ኮይኑ ናይቲ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ጂኦ ፖሎቲካዊ ዕላማታት ዘሰጉማ እየን\" ክብል ኣረዲኡ። ብዓቢኡ ነቲ ኣብ ሆንግ ኮንግ ዘሎ ፖለቲካዊ ለውጥታት ብዓይኒ እቲ ዴሳዊ ሰልፊ ገይረን ንህዝቢ ከረድኣ ክፍትና ዝጸንሓ ልሳናት ናይቲ መንግስቲ ኮይነን ክሰርሐ ምጽንሐ'ውን ገሊጹ። ትዊተር ኣብ ሩስያ እውን ብመንግሰቲ እናተደገፋ፡ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ብምውዳስ ንፖሎቲካውያን ተቃወምቲ ኣብ ምጥቃዕ ክነጥፋ ዝጸንሓ 1152 ኣካውንት ከምዝዓጸወ ኣዘኻኺሩ።","category":"ትዊተር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53020423"} {"headline":"ዋና ፈጻሚ ስራሕ ትዊተር ኣብ ኢትዮጵያ ወይ ናይጀርያ ነዊሕ እዋን ንምጽናሕ ድልየት ኣለዎ","content":"ዋና ፈጻሚ ስራሕ ትዊተር ጃክ ዶርሰይ ኣብ ኢትዮጵያ ወይ ናይጀርያ ሽድሽተ ኣዋርሕ ንምጽናሕ ድልየት ከምዘለዎ ሓንቲ ዲፕሎማት እንግሊዝ ሓቢራ። ኣብ ናይጄርያ ላይለዋይ ኮሚሽነር እንግሊዝ ካትሪዮና ሊያንግ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሓቶ ሓበሬታ፡ መስራትን ዋና ፈጻሚ ስራሕን ማሕበራዊ መራኸቢ ትዊተር ጃክ ዶርሰይ፡ ትካሉ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዎ ዕዳጋ ንምዕባይ ዓሊሙ ሽድሽተ ወርሒ ክጸንሕ ትልሚ ኣለዎ ኢላ። ኣብ ዝመጽእ ሓድሽ ዓመት [2020] ናብ ኣፍሪቃ ብምምጻእ፡ ካብ ክልትኤን ሃገራት ኣብ ሓዲአን ንምጽናሕ ከምዝሓሰበ'ውን ገሊጻ። ካብዘን ክልተ ኣፍሪቃውያን ሃገራት ኣብ ሓዲአን ሽድሽተ ወርሒ ንምጽናሕ ዝመረጸሉ ምኽንያት ከኣ ኣብታ ኣህጉር ብዘለወን ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ ብምዃነን'ዩ። ጃክ ዶርሰይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ ዑደት እናገበረ ኮይኑ፡ ብሚንስትር ፋይናንስ ነበርን ኣብዚ ሕዚ ኣባል ቦርድ ትዊተርን ጎዚ ኦኮንጆ ትማሊ ኣብ ናይጀርያ ኣብ ዝተገበረሉ እንግዶት ድራር'ዩ ነዚ ዘፍለጠ። ንሱ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ጋና ይርከብ። ካብ ሩዝ ዝዳለው ፍሉጥ መግቢ ጋናውያን ድማ ኣብ ትዊተሩ ጠቂዑ'ሎ። ኣብዚ ዝገብሮ ዘሎ ዑደት ንሓደ ወርሒ ዝጸንሕ ዑደት ኣፍሪቃ፡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኢትዯጵያን'ውን ክበጽሕ ትጽቢት ይግበር።","category":"ትዊተር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50389494"} {"headline":"መጥቃዕቲ ትዊተር፡ ኤፍቢኣይ ትዊተር ፍሉጣት ሰባት ዘጥቅዑ ሰርሰርቲ ከጻሪ ጀሚሩ","content":"ፈደራላዊ ቤት-ጽሕፈት መርመራ ገበን ኣመሪካ ኤፍቢኣይ፡ ምስ 'ቢትኮይን' ብዝተኣሳሰር ዝተፈጥረ ምስርሳር ትዊተር ቢልዮነራትን ፍሉጣት ሰባትን ዓለም ከጻሪ ጀሚሩ። ትማሊ፡ ናይ ቢልዮነራት ሰብሃብቲ ኤሎን መስክን ጄፍ ቤዞስን ከምኡ ድማ ናይ ቢል ጌትስ ሓዊሱ፡ ናይ ብዙሓት ፍሉጣት ኣመሪካውያን ትዊተር ተሰርሲሩ፡ ምስ 'ቢትኮይን' ዝተኣሳሰር መታለሊ ጽሑፍ ተለጢፍዎም። ናይ በዓል ባራክ ኦባማ፡ ጆ ባይደን ከምኡ ድማ ናይ ካንየ ዌስት ወግዓዊ ናይ ትዊተር ገጻት'ውን፡ ንተኸተልቶም ብክሪፕቶከረንሲ ልግሲ ክገብሩ ዝጽውዕ ጽሑፍ ተጠቒዕዎም እዩ። ኣብ ናይ ቢል ጌትስ ትዊተር ዝተጠቀዐ ጽሑፍ \"ኩሉ ሰብ ክህብ ይሓተኒ እዩ\" ይብል እሞ \"1,000 ዶላር እንተልኢኽኩም፡ 2000 ዶላር ገይረ ክመልሰልኩም እየ\" ይብል። ትዊተር ከምዝበሎ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ትካል ንዝሰርሑ ፍቓድ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ዒላማ ብምግባር፡ ንውሽጣዊ መሳርሕታትን መገድታትን ትዊተር ብምጥቃም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እዩ ኢሉ። ሓላፊ ትዊተር ጃክ ዶርሲ \"ንናይ ትዊተር ሰባት እዚ ከቢድ መዓልቲ እዩ። እዚ ብምፍጣሩ ኣዚና ኢና ሓዚንና\" ኢሉ። ኤፍቢኣይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ድማ ጉሕለት 'ክሪፕቶከረንሲ' ንምፍጻም ዝተገብረ ፈተነ እዩ ኢሉ። ሓደ ካብ መስረትቲ 'ክራውድ ስትራይክ' ናይ ዝበሃል ኣብ ውሕስነት ሳይበር ዝሰርሕ ትካል፡ ዲሚትሪ ኣልፔሮቪች ንወኪል ዜና ሮይተርስ \"ኣብ ልዕሊ ሓደ ዓብዪ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተፈጸመ እቲ ዝኸፍአ ናይ ስርሰራ መጥቃዕቲ እዩ\" ኢሉ። ኣብ ወግዓዊ ትዊተር ናይ ኤሎን መስክ ዝተጠቀዐ ጽሑፍ ድማ፡ ኣብ 30 ደቒቕ ናብ ሓደ ድጂታላዊ ኣድራሻ 'ቢትኮይን' እንተልኢኽኩም ዕጽፊ ገይረ ክመልሰልኩም እየ ዝብል መልእኽቲ እዩ ተጠቂዑ። \"ብምኽንያት ኮቪድ-19 ክልግስ ደልየለኹ\" ዝብል እቲ ጽሑፍ ናብ'ቲ ናይ ቢትኮይን ኣድራሻ ዝመርሕ ፈለግ ኸኣ ምስኡ ተጠቂዑ ነይሩ። እቲ ጽሑፍ ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ እዩ ካብ ትዊተር ተኣልዩ። ማእከል ሃገራዊ ድሕነት ሳይበር ብሪጣንያ ንሓለፍቲ ስራሕ ትዊተር \"ከም ዝረኸቦም\" ክገልጽ እንከሎ፡ \"ሰባት ናይ ገንዘብ ወይ ካልእ ኣዝዮም ተኣፈፍቲ ዝኾኑ ውልቃዊ ሓበሬታታት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ካብ ምጥቃዕ ጥንቃቐ ክገብሩ ኣለዎም\" ዝብል መግለጺ ከም ዝረኸበ ሓቢሩ። ብርክት ዝበሉ ኣሜሪካውያን ፖለቲከኛታት ግን ብዙሓት ሕቶታት የቕርቡ ኣለው። ሴናተር ሪፐብሊካን ጆሽ ሃውሌይ፡ መጥቀሚ ትዊተር ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ግዳይ ኮይኑ ድዩ? ዝብል ሕቶ ኣቕሪቡ። ይኹን'ምበር፡ ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ትዊተር ትራምፕ ንምጥቃዕ ዝተገብረ ፈተነ የለን ኢሉ። ካብቶም በዚ መጥቃዕቲ ሳይበር ዝተጸለዉ ፍሉጣት ሰባት ገለ ካብቶም ተሰይሮም ዘይናቶም መልእኽቲ ዝተጠቀዐሎም ገጻት፡ cryptoforhealth.com ናብ ዝበሃል ኣድራሻ ዝወስድ ፈለግ እዩ ተጠቒዕዎም ነይሩ። እዚ ድማ፡ mkeyworth5@gmail.com ዝብል ናይ ኢሜይል ኣድራሻ ብዝጥቀም ሰርሳሪ ዝተመዝገበ እዩ። እቲ ዌብሳይት፡ ኣንቶኒ ኤልያስ ብዝብል ሽም እዩ ተኸፊቱ፤ እንተኾነ ስኑዕ ስም ክኸውን ዝለዓለ ተኽእሎ ኣለዎ። እቲ Cryptoforhealth ዝብል ስም ናይ ኢንስታግራም ገጽ እውን ነይርዎ። እዚ ድማ፡ ነቲ ስርሰራ ጥራይ ከገልግል ዝተኸፈተ እዩ። ኣብ'ቲ ናይ ኢንስታግራም ገጽ፡ \"ንሕና ኢና\" ዝብል መልእኽትን ዝስሕቕ ደቂቕ ምስልን ሰፊሩ ይርከብ። ኣብ'ቲ ናይ ኢንስታግራም ገጽ \"ንሓገዝ ክበሃል ዝተገበረ መጥቃዕቲ እዩ። ገንዘብኩም ኣብ መዓልኡ እዩ ክውዕል\" ዝብል መልእኽቲ ኣስፊሩ ኣሎ። ሓቀኛ መንነት ናይ'ዞም ሰርሰርቲ ዛጊድ ኣይተፈለጠን ኣሎ።","category":"ትዊተር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53440941"} {"headline":"ትዊተር፡ 80 ሚልዮን ሰዓቢ ዘለዎ ትራምፕ ኣብ ዝጠቀዖ ሓበሬታ መጠንቀቕታ ኣንቢርሉ","content":"ትራምፕ ኣብ ትዊተር ምጥቃም ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ንፈላማ እዋን፡ እቲ ትካል ኣብቲ'ቲ ፕረዚደንት ዝጠቐዖ ጽሑፍ ናይ 'ሓቃዊነት መረጋገጺ' መጠንቀቕታ ምልክት ገይርሉ። ትራምፕ ምስ መረጻ ግዝኣት ካሊፎርንያ ብዝተኣሳሰር \"እቶም ሳጥናት ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ባኣብዝሓ ዝተጭበረብሩ ናይ ምዃን ዕድሎም ዝለዓለ እዩ\" ኣብ ዝበሎ ጽሑፍ እዩ ናይ ሓቅነት መረጋገጺ ምልክት ዘስፈረሉ። ብሰንኮ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሰባት ናብ መረጻ ጣብያታት ከይዶም ድምጾም ክህቡ ስለዝሰግኡ፡ ብፖስታ ተላኢኹሎም ምርጨኦም መሊኦም እዮም ይልእኹ ዘለዉ። ትዊተር ግን ኣብቲ ጥቃዕ ትራምፕ፡ ምልክት ጥራሕ ኣይኮነን ገይሩ። ነቲ እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ጥቅዑ 'ዋላ ሓንቲ! ባዶ' ዝበሎ ፡ ዘፍርስካብ ዋሺንግተን ፖስትን ካብ ሲኤንኤን መረዳእታ ኣምጺኡ ብምትሕሓዝ ድማ 'ዘይጥሉል ሓበሬታ ' ዝብል ለጢፍሉ። በዚ ስጉምቲ ዝሐረቐ ትራምፕ፡ \"ብሱሩ ማሕበራዊ ሚድያ ዝበሃል ኣትሪረ ክቆጻጸሮ ኣለኒ ፡እንተዘይኮይኑ ድማ ክዓጽዎ እየ\" ኢሉ። እዚ ድማ ኣደዳ ነቐፌታ ገይርዎ ኣሎ። ትራምፕ ቀጺሉ ድማ፡ ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካን፡ እዞም ማሕበራዊ ሚድያታት ተጠቒሞም ንሰልፊ 'ኮንዘርቫቲቭሰ' ጸጥ ከምዘበልዎም ገሊጹ፡ እዚ ክኸውን ከምዘይፈቅድ ኣብ ትዊተሩ ጠቂዑ። ቅድም ክብል'ውን ትዊተር 'ናይ ምዝራብ ነጻነት ይዓብስ ኣሎ' ክብል ወቒሱ ነይሩ። ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፡ ትዊተር ንትራምፕ ኣይድግፍን ተባሂሉ ክንቀፍ ጸኒሑ እዩ። ኣብዚ ወርሒ፡ ትራምፕ ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተዛሚዱ 'ዘይጥሉላት ሓበሬታ ዝቆጻጸረሉ' ሓድሽ ፖሊሲ ኣተኣታትዩ ኣሎ። ትራምፕ ኣብ ትዊተሩ 80 ሚልዮን ተኸተልቲ ኣለውዎ። ዛጊድ ድማ 52 ጽሑፋት ጠቂዑ ይርከብ። ትራምፕ፡ ብፍላይ ትዊተር ኣንጻሩ ንዝተሰለፉ ፖለቲከኛታት ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ሰሜን ኮርያን ካልኦትን ንምጥቃዕ ቁጽሪ ሓደ መሳርሒኡ ገይሩ ከምዝጠቀመሉ ተንተንቲ ይዛረቡ። እዚ ሕዚ ካብ ትዊተር ዝበጽሖ መጠንቀቕታ ግን፡ ፈላማይ ፈተነ ከምዝኾና ድማ ወሲኾም ይዛረቡ።","category":"ትዊተር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52810774"} {"headline":"ነቐፌታ ካብ መጐሳ ንላዕሊ ኣብ ውሽጥና ነዊሕ ዝጸንሓሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ?","content":"መብዛሕትና፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ንጸርፊ፡ ሽምጠጣ፡ ምንሻው ወይ ሕማቕ ርእይቶታት ዝተቓላዕና ኢና ንኸውን። ነዚኦም እንምክተሉ ዓቕሚ ስለ ዘይህልወና ክኣ ከም ሳዕቤኑ ጐዲኦምና ክዀኑ ይኽእሉ። ቈልዑ ኴንና፡ ወለድና፡ ኣብ ልዕለና ዝዀነ ከቢድ ዕንጸይቲ ወይ እምኒ ወዲቑ ከይሃስየና ጥንቃቐ ክንገብር ክምዕዱና ንዝክር ንኸውን። ካብኡ ንላዕሊ ግን፡ ቃላት ዓጽመ-ስጋና ሰይሮም ክጐድኡና ከም ዝኽእሉ ኣይነገሩናን። ኣብ ህይወት እንረኽቦም ተመኵሮታት ግን እቲ 'እምኒ እምበር ቃል’ሲ ዓጽሚ ኣይሰብርን' ዝብል ርድኢት ግጉይ ምዃኑ ኣምሂሮምና እዮም። ከመይ? እንተኢልኩም፡ ኣካላዊ ማህሰይቲ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ክፍወስ ይኽእል፤ ካብ ሰባት እንሰምዖም ኣሉታዊ ቃላት ግን ኣብ ህይወትና ነባሪ በሰላ’ዮም ዝገድፉ። ከም ብዋዛ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካብ መምህርና ዝወሃበና ዘይጓዳእ ነቐፌታ ይዅን ኣብ መንጐ ዝተኻረረ ክትዕን እንካ ሃባን ካብ መሓዛ ይዅን ኣፍቃሪ\/ት ዝመጽኣና መሪር ዘረባ ንውሰድ። ኣብዚ ህሞት፡ ብሰንኪ'ቲ ‘ኔጋቲቪቲ ባያዝ’ ዝበሃል ክስተት፡ ኣብ ክንዲ’ቲ እወታዊ ርእይቶኦም ነቲ መሪር ነቐፌታ ኢና ዝያዳ ንዝክሮ። ኵሉ ባህ ናይ ዘይምባል ሳዕቤናት ድማ በዚ ክግለጽ ይኽእል። እዚ ኣብቶም ንህይወትና ሓደጋ እዮም እንብሎም ስግኣታትን ዝተጋነኑ ሓደጋታትን ፍሉይ ትዅረት ክንህብ ከም ዝገብር ጸሓፍን ክኢላ ማሕበራዊ ስነ ልቦናን ዩኒቨርሲቲ ኲንስላንድ ሮይ ባሜስተር ይገልጽ። ኣብ ጽልምትምት ዝበሉ ነገራት እዛ ዓለም ኣድህቦ ምግባር ደስ ዘየብል ነገር እንተመሰለ’ውን፡ እዚኦም፡ ደቂ ሰባት ካብ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት፡ ለበዳታት ክሳብ ኲናታት ንምብዳህ ድሉዋት ክዀኑ ኣብ ምግባር ሓጊዞም’ዮም። ብተወሳኺ፡ ጽንኩር ኵነታት ካብ ዘሕድሮ ጸቕጢ ዓርስና ንምክልኻል እውን ከም ዘኽእል ዝሕብሩ መረዳእታታት ኣለው። ሓንጐልና፡ ሰብነትና ንምሕላውን ብህይወት ክንህሉን ንምግባር ዝሰርሕ ኰይኑ፡ ሓደስቲ ሓደጋታት ወይ ስግኣታት ኣብ ዝህልውሉ ግዜ ሰለስተ ስርዓታት መጠንቀቕታ ኣለውዎ። ደቂ ሰባት፡ ንህይወትና ስግኣት ዝዀነ ነገራት ቀልጢፍካ ናይ ምፍላይ ተኽእሎና ዓቢይ ከም ዝዀነ ዝገልጽ ሮይ ባሜስተር፡ ናይ ሸሞንተ ወርሒ ዕሸል ኣብ ክንዲ እንቍርዖብ ዝኸውን ምስሊ ተመን ቀልጢፉ ናይ ምርኣይ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ይገልጽ። ኣብ ሓሙሽተ ዓመቱ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ሕጕስ ገጽ ቍጥዐ ወይ ፍርሒ ከም ዘቐድም የረድእ። ባሜስተር፡ መጀመርታ ኣብ ጸገማት ትዅረት ምግባር ጽቡቕ ስትራተጂ’ዩ ይብል። “መጀመርታ ነቶም ኣሉታታት ኣወጊድካ ጸገማት ፍታሕ። እዚ ማለት፡ ብቐንዱ መድመይቲ ደው ምባል’ዩ” ኢሉ። በዚ፡ ኣብቶም ሕማቕ ዝበሃሉ ነገራት ምስሓል ወይ ዝያዳ ትዅረት ምግባር ኣብ ኣዝዮም ኣጸገምቲ ኵነታት ድሑናት ክንከውን ክሕግዘና ከም ዝኽእል የረድእ። ክሳብ ጽልዋ እቲ ዘይምዕሩይ ኣሉታውነት እንስዕሮ ግን፡ ንዓለም ዘለና ኣረኣእያን ንነገራት እንህቦ ግብረመልስን ዝንቡዕ ክኸውን ይገብሮ’ዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ጋዜጣታት ብዝጽሓፉ ነገራት፡ ህይወት ኣዝዩ ከቢድን ተስፋን ዘይብሉን ጥራይ ክመስል ይኽእል። ጋዜጠኛታት’ውን ብዝሒ ኣንበብቲ ንምርካብ ወይ’ውን ጋዜጣኦም ንምሻጥ ደድሕሪ እቶም ሕማቕ ዜናታት’ዮም ዝኸዱ ተባሂሎም ይንቀፉ። እዚ ብኸፊል ሓቂ ክኸውን ይኽእል፤ ተመራመርቲ ግን ኣንበብቲ ብተፈጥሮኦም መዓትን ውርደትን ንዝነግሩ ጽሑፋት ከም ዘንብቡን ንኻልኦት ከም ዘካፍሉን ይገልጹ። ኣብ ሓደ መጽናዕቲ ካናዳ፡ ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ማክጊል፡ ኣብቲ መጽናዕቲ ናይ ዝተሳተፉ ወለንታውያን ኣበየናይ ዓይነት ዜና ትዅረት ይገብሩ ዝብል ንምፍላጥ ናይ ዓይኒ-ሃዳናይ ቴክኖሎጂ ተጠቒሞም። በዚ መሰረት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ኣብ ክንዲ እቶም ዘይሻራውን እወንታውን ኰይኖም ዝተጽሓፉ ናብቶም ብዛዕባ ብልሽውኛ፣ ምስሉይነትን ዓንቀፍቀፋትን ዝድህስሱ ዛንታታት ከም ዝኸዱ ኣረጋጊጾም። ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታትን ፖለቲካን ዝከታተሉ ሰባት፡ ሕማቕ ዜና ክመርጹ እንከለው፡ ክሕተቱ እንከለው ግን ጽቡቕ ዜና ኢና ንመርጽ ኢሎም ከም ዝዛረቡ እቶም ተመራመርቲ ሓቢሮም። እቶም ኣብ ዜና እንርእዮምን እንሰምዖምን ድማ ፍርሕና ከበርዅ ተኽእሎ ኣለዎ። ንኣብነት፡ ቝጽሪ እቶም ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ኣሜሪካ ብጕጅለታት ራዕዲ ዝተቐትሉ ሰባት፡ ካብቶም ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ኣብ ባስካ ዝሞቱ ሰባት ዝውሕድ'ኳ እንተዀነ፡ ንግብረ ራዕዲ ዘለና ፍርሒ ክብ ዝበለ’ዩ ክብል ባሜስተር ‘The Power of Bad: And How to Overcome It’ ኣብ ዝብል መጽሓፉ ጽሒፉ'ሎ። ብዛዕባ ሓደ ግምታዊ ግን ድማ ዘፍርሕ ኵነታት ምጭናቕ ክንፈርሕ ክገብረና እንከሎ፡ ሓንቲ ንእሽቶ ባህ ዘይትብል ኣጋጣሚ ኣብ ውዕሎ መዓልትና ዘይምዕሩይ ጽልዋ ክህልዋ ይኽእል። ፕሮፌሰር ስነ ልቦናን ሳይንስ ኣእምሮን ዩኒቨርሲቲ ዋሽንግተን ራንዲ ላርሰን፡ ኣክንዲ እቶም ዘሐጕሱ ስምዒታት እቶም ኣሉታዊ ስምዒታት ነዊሕ ከም ዝጸንሑ ይገልጽ። ንሱ ብዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ሰባት ብዛዕባ ሕማቕ ፍጻመታት ብምሕሳብ እነሕልፎ ግዜ ኣዝዩ ከም ዝዛይድ ዘመልክቱ ኰይኖም፡ ምናልባት ዘፍርሑ ግዜያት ወይ’ውን ነቐፌታታት ንዓመታት ዘሳቕዩናን ዝሃድኑናን ምዃኖም ንምርዳእ ይሕግዘና። ብፍላይ፡ ካብ ኣፍቃሪ\/ት፡ ኣባል ቤተሰብ ወይ’ውን ዓርከ-መሓዛ ዝመጽእ ልብኻ ዝትንክፍ ዘረባታት ክትርስዖ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። “ምስቲ ካብ ዘይንፈልጦም ሰባት ዝወሃበና ካብ እንኣምኖምን እንፈትዎምን ሰባት ዝመጽኡ ኣሉታዊ ርእይቶታት ይጐድኡና” ይብል ባሜስተር። እዚ ብኸፊል፡ ካብቶም ናተይ እንብሎም ሰባት እንጽበዮ ነገር ብምህላው እዩ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ካብ እንፈትዎም ሰባት ዝወሃቡና ኣሉታዊ ርእይቶታት ነዊሕ እዋን ንዝቕጽል ስነ ልቦናዊ በሰላ ክመርሓና ስለ ዝኽእል ምስ ሰባት ዝህልወና ርክባት ንበትኽ። ኣብ ኣሜሪካ ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ኬንታኪ፡ እቲ መጻምድኻ ኣብ ውሽጢ ርክባት ንዘጋጥሙ ጸገማት “ብዘይተቓውሞ ዝሓልፉ” ምስ ዝዀኑ ሳሕቲ እቶም ርክባት ካብ ምብታኽ ክድሕኑ ከም ዝኽእሉ ክርድኡ ክኢሎም። “ርክባት፡ መጻምዲ ንሓድሕዶም ዝገብርዎ ወይ ዝለዋወጥዎ ጽቡቕን ሃናጽን ነገራት ወይ’ውን ንነገራት ብዝህቡዎ ኣዕናዊ ምላሽ ጥራይ ዝውሰን ኣይኰነን” ኢሎም። ኣብ ካልእ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ንመጻምዲ ብምክትታል ዝተሰርሐ መጽናዕቲ ድማ፡ ኣብ መጀመርታ ክልተ ዓመታት መርዓኦም ወይ ሓዳሮም ንሓድሕዶም ኣሉታዊ ስምዒታት ዝተለዋወጡ ሰብ ሓዳር፡ ንፋታሕ’ዶ ዝብል ኣማራጺ ኣቕሪቦም ምንባሮም ይገልጽ። ናብ ፍትሕ ኣብ ዘምርሑ መጻመዲ ድማ ኣሉታውነት ከም ዝበዝሕ የመልክት። ኣድልዎ ኣሉታውነት - ‘ኔጋቲቪቲ ባያዝ’፡ መብዛሕትና ዘለና ርክብ ጽቡቕ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ከም ንቡር ምውሳድና ናይ ጣዕሳ ስምዒት ክፈጥረልና እንከሎ፡ ኣብ መንጐ ዝፍጠሩ ጐደሎታት ቀልጢፍና ንኸነስተውዕልን ንኣሽቱ ጉዳያት ናብ ዓቢይ ጸገም ክንቅይርን ይገብረና። ነቐፌታ’ውን፡ ብብዝሒ ክመጽእ እንከሎ ይጐልሕ’ዩ። እዚ ድማ ማሕበራዊ ሚዲያ ከም ሓደ ኣሉታውነት ዝጋውሓሉ ባይታ ክኸውን ይገብር። ብ2019 ብሉጽ ኣልበም ዝሸጠት ስነ ጥበባዊት ቢሊ ኢሊሽ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝወሃቡ ርእይቶታት ምርኣይ ኰነ ኢላ ከም እተወግድ ንቢቢሲ ተዛሪባ። “ህይወተይ ይሕምሶ ነይሩ። ህድእ ዝበለ ነገራት ኣብ ዝሰራሕካሉ ብዙሓት ሰባት ይጸልኡኻ። ብሱሩ ካብቲ ሕሉፍ ዝነበረ ዝኸፍአ እዩ ዝኸውን” ትብል። ባሜስተር፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝርኣይ ኣሉታውነት ንምክልኻል ዘኽእል ዓቕሚ ከም ዘይብልና የጠንቅቕ። ምኽንያቱ ኣእምሮና፡ ኣብ ክንዲ እቲ ካብ ዘይንፈልጦ ሰብ ዝመጽኣና ርእይቶ፡ ነቲ ካብ ናይ ቀረባና ዝዀኑ ሰባት ዝወሃበና መጠንቀቕታት’ዩ ኣቓልቦ ዝህብ። “ስለዚ፡ ካብ ብዙሓት ሰባት ዝመጽኣና ኣሉታዊ ነገራት ምስማዕ ሓደገኛ ክኸውን ተኽእሎ ኣለዎ” ይብል። ኣብ ኦንላይን ብብዙሓት ሰባት ወይ መሓዛኻ ምንቃፍ ዘለዎ ሳዕቤን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝተፈላለየ እዩ። ግን ክኣ፡ ንዕኡ ምቕባል፡ ምብልዕላዕን ዝዀነ ኣሉታዊ ርእይቶ ምድጋፍን፡ ጭንቀት ክውስኽ፡ ቅዛነት፡ ሕርቃን ወይ ተስፋ ምቝራጽ ክብርትዕ ከም ዝገብር ተመራማሪት ባህርያት ሉቺያ ማኪያ ትገልጽ። “ነዞም ኣሉታዎ ስምዒታት ምቅላስ፡ ኣብ ሰብነትና ዓቢይ ጽልዋ ስለ ዘሕድር፡ ኣካላዊ ቃንዛ ክፈጥሩን ከጋድዱን ይኽእሉ’ዮም” ትብል። ሰባት ዕድመ እናወሰኹ ክኸውዱ እንከለው፡ ናብ እወታዊ ሸነኽ ሓደ ነገር ምዝንባል ከም ዝጅምሩ ብዙሓት መጽናዕታት ይገልጹ። ተመራመርቲ ነዚ ‘እወታዊ ኣድልዎ’ [positivity bias] ኢሎም ክጽውዕዎ እንከለው፡ ካብ ማእከላይ ዕድመ ጀሚርና፡ ነቶም ኣሉታዊ ሓበሬታታት ገዲፍና ነቶም እወታዊ ዝርዝራት ክንዝክር ከም እንጅምር ይገልጹ። ባሜስተር፡ ናይዚ ምኽንያት ኣብ ዕድመ ንእስነትና ካብ ዘጋጥመና ውድቀትን ነቐፌታን ክንመሃር ኣለና፤ እዚ ግን ዕድመና እናወሰኸ ክኸይድ እንከሎ እዚ ድልየት ስለ ዝንኪ’ዩ ይብል። ይዅን’ምበር፡ ኣሉታዊ ነቐፌታታት ኣብ ዝዀነ ዕድመ ኴንና ይጸልውና’ዮም፤ ብፍላይ ድማ ስምዒታትና ኣብ ዝተጐድኣሉ እዋን።","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c16gg4j81w7o"} {"headline":"ህጻናት 'ስማርትፎን' ዝሕዝሉ ትኽክለኛ ዕድመ ክንደይ እዩ?","content":"ንደቅኹም ስማርትፎን ትህብዎም’ዶ፣ ወይስ ብዝተኻእለ መጠን ካብ ስማርትፎን ተርሕቕዎም? እዚ ኣዝዩ ዘመናዊ መዋጥር እዩ። ስማርትፎን ኣብ ልዕሊ ውላድ ንኹሉ ክፍኣት ዓለም ዝፍንው መሳርሒ ከምዝኾነ ዝሓስቡ ወለዲ ኣለዉ። ጽልዋ ኣጠቓቕማ ቴሌፎንን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ህጻናት ብዝምልከት ዝዝርግሑ ጽሑፋት ብምርኣይ ንደቆም ስማርትፎን ካብ ምሃብ ዝተዓቀቡ ሒደት ኣይኮኑን። ብኣንጻሩ፡ መልእኽቲ ንምልኣኽ፡ ብኢንተርኔት ዕዳጋ ንምፍጻም፡ ብቪድዮ ንምርኻብን ኣኼባ ንምክያድን ንካልኦት ንጥፈታትን ስለዝጠቅም ስማርትፎን ንመዓልታዊ ህይወት ኣገዳሲ እዩ ዝብሉ ወለዲ ኣለዉ። እሞ ስማርትፎን ዝሓዙ መማህርትን ፈተውትን ዘለዎም ህጻናት ደቆም ዘምልጦም ነገር ኣይህሉን’ዶ? ጽልዋኸ ኣለዎ’ዶ? ስማርትፎን ምውናን ወይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምጥቃም ንድሕነት ህጻናት ዝጎድእ ጽልዋ ከምዘለዎ ዘርኢ መርትዖ እኳ እንተዘየለ፡ እዚ ግን ጉድኣት የብሉን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጹ መርትዖታት፡ ህጻናት ዝያዳ ንሓደጋ ዝቃልዑሉ ፍሉይ ምዕራፋት ምዕባለ ክህልዉ ከምዝኽእሉ የመልክቱ። ካብዚ ሓሊፉ ክኢላታት፡ ደቅኹም ስማርትፎን ንምውናን ድሉዋት እንተኾይኖም ንክትውስኑ ዝሕግዙ ቁልፊ ረቛሒታትን ድሕሪ ምውናኖም ድማ ክትገብርዎም ዝግብኡ ጥንቃቐታትን ከምዘለዉ ይገልጹ። ካንዲስ ኦጀርስ፡ ኣብ መንጎ ኣጠቓቕማ ዲጂታላዊ ቴክኖሎጂን ጥዕና ኣእምሮ ህጻናትን መንእሰያትን ዘሎ ምትእስሳር ዝጥምቱ ሽዱሽተ ትንተና ዘካየደት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ ኣሜሪካ ፕሮፌሰር ስነ-ኣእምሮኣዊ ሳይንስ እያ። ብተወሳኺ ኣብ ካልኦት ዓበይቲ መጽናዕትታትን ከምኡ’ውን መጽናዕትታት መዝገበ-ዕለት ምርምር ዘካየደት ኦጀርስ፡ \"መብዛሕትኦም መጽናዕትታት፡ ኣብ መንጎ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ጥዕና ኣእምሮን ዝኾነ ምትእስሳር ኣይረኸቡን\" ትብል። ኣብቶም ምትእስሳር ዝረኸበትሎም መጽናዕትታት’ውን፡ ዓቐናት እቶም ኣወንታዊን ኣሉታውን ጽልዋታት ትሑት ከምዝኾነ ትገልጽ። \"እቲ ዝዓበየ ርኽበት፡ ኣብ መንጎ እቲ ሰባት ዝኣምኑሉን እቲ መርትዖ ብሓቂ ዘርእዮን ዘሎ ምፍልላዩ’ዩ።\" ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ተመራማሪት ስነ-ኣእምሮኣዊት ኤሚ ኦርበን፡ ዝገበረቶ ገምጋም እውን፡ እቲ መርትዖ ዘየዕግብ ከምዘይኮነ እዩ ዝሕብር። ተመኩሮ ውልቀ መንእሰያት ድማ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ውልቃዊ ኩነታት ዝምርኮስ እዩ። ኤሚ፡ \"ብሓቂ ነዚ ክፈርድ ዝኽእል እንኮ ሰብ እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ምስቶም መንእሰያት ዝያዳ ዝቀራረብ ሰብ እዩ\" ትብል። ብግብራዊ ኣዘራርባ፡ እዚ ማለት፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ወይ ዝተወሰኑ መተግበሪታት ብምጥቃሞም ዝጉድኡ ህጻናት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ወለዲ ድማ ነዚ ክቕበሉን ኣድላዪ ደገፍ ክህቡን ኣገዳሲ እዩ። ብኻልእ ወገን፡ ቴሌፎን፡ ንገለ መንእሰያት ህይወት ዘቕልል ኣገዳሲ መሳርሒ ክኸውን ይኽእል። ንኣብነት ከም ጉድኣት ኣካል ዘለዎም ሰባት ሓድሽ መልክዕ ተበጻሕነት ማሕበራዊ መራኸቢታት ንምርካብ፡ ወይ ድማ ብዛዕባ ጥዕና ንዝቐርቡ ተኣፋፊ ሕቶታት መልሲ ንምድላይ ክሕግዞም ይኽእል። መብዛሕትኡ ግዜ ህጻናት ቴሌፎን ዝጥቀሙ ምስ ኣዕሩኽቶምን ቤተሰቦምን ንምዝርራብ እዩ። ርግጽ ምስ መዛኑኻ ዳርጋ ቀጻሊ ርክብ ምግባር ሓደጋ ዘይብሉ ኣይኮነን። \"ቴሌፎን ነቲ ወትሩ ብወገን መንእሰያት ዝነበረ ዘይተማልአ ድሌት ፍሉይ ፍታሕ ከምዝኾነ ይሓስብ\" ትብል ኣብ ለንደን ስኩል ኦቭ ኢክኖሚክስ ፕሮፌሰር ማሕበራዊ ስነ-ልቦና ከምኡ’ውን ሓባራዊ ደራሲ መጽሓፍ፡ ‘ፓረንቲንግ ፎር ኤ ዲጂታል ፊዩቸር’፡ ሶንያ ሊቪንግስቶን። \"ንብዙሓት ግን ዘፍርሕ… ንምእማኑ ዘጸግም ኣጋጣሚ ክኸውን ይኽእል'ዩ። እቶም መናእሰይ ኣባል ክኾኑሉ ዝደልዩ ወይ ከይኾኑ ዝተገለልሉ፡ ናይ ህቡባት ሰባት ቦታ ከምዘሎ ክስምዖምን ጸቕጢ ክገብረሎም ይኽእል'ዩ።\" ኦርበንን መሳርሕታን ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣብ ዘሕተምዎ ጽሑፍ፡ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሒሩ ምስ ዝመጽእ ትሑት ዕግበት ህይወት ከም ዝተኣሳሰር ይሕብር። ዕድሚኦም ካብ 10 ክሳብ 21 ዓመት ካብ ዝኾኑ ልዕሊ 17 ሽሕ ተሳተፍቲ ዝተረኽበ መረዳእታ ብምትንታን ዝረኸብዎ ውጽኢት፡ ካብ 11 ክሳብ 13 ዓመት ዝዕድሚአን ኣዋልድን ካብ 14 ክሳብ 15 ዝዕድሚኦም ኣወዳትን ልዑል ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢታት እንተሃልይዎም፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ትሑት ዕግበት ህይወት ክህልዎም ክገብር ከምዝኽእል የረድእ። ብኣንጻሩ ኣብዚ ዕድመ እዚ ዘሎ ትሑት ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ቀጻሊ ዓመት ዝለዓለ ዕግበት ክህልዎም ክገብር ከምዘኽእል የተንቢ። እዚ ምስቲ ኣዋልድ ካብ ኣወዳት ኣቐዲመን ናብ ጉብዝና ክበጽሓ ከምዝኽእላ ዝገልጽ ሓበሬታ ከም ዝሰማማዕ እቶም ተመራመርቲ ይገልጹ። ወለዲ ውሳነ ኣብ ዝውስንሉ እዋን ነዞም ኩነታት ኣብ ግምት ከእትዉ ኣለዎም። ምዕባለኣዊ ለውጢ፡ ንህጻናት ንኣሉታዊ ጎኒ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝያዳ ተኣፋፊ ክገብሮም ከም ዝኽእል ምፍላጥ ይግባእ። ንኣብነት ኣብ ዕድመ ንእስነት፡ ሓንጎል ብሰፊሑ ስለዝቕየር ንግብሪን ስምዒትን መንእሰያት ክጸልዎ ይኽእል። እዚ ድማ ንማሕበራዊ ዝምድናታትን ኹነታትን ዝያዳ ተኣፋፊ ምዃን የጠቓልል። \"መንእሰይ ምዃን ዓብዪ እዋን ምዕባለ'ዩ\" ትብል ኦርበን። \"ብመዛኑኻ ዝያዳ ትጽሎ፡ ካልኦት ሰባት ብዛዕባኻ እንታይ ከም ዝሓስቡ ኣዝዩ የገድሰካ። ከምኡ'ውን ንድፊ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ እቲ ማሕበራዊ ርክብን ግብረ-መልስን ዝዋሃበሉ ኣገባብ፡ ይብዛሕ ይንኣስ ኣብ ዝተወሰነ እዋን ዝያዳ ጸቕጢ ክፈጥርልካ ይኽእል’ዩ።” ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ህጻናትን መንእሰያትን ዘለዎ ድርኪ ዝጸልዉ ካልኦት ረቛሒታት’ውን ኣለዉ። ተመራመርቲ ግን ነዞም ውልቃዊ ፍልልያት ክድህስሱ ገና ኣብ ምጅማር ይርከቡ። ኦርበን፡ “ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ዝያዳ ኣሉታዊ ወይ ኣወንታዊ ጽልዋ ዝሓደሮም ሰባት ክህልዉ እዮም። ምኽንያቱ ድማ ዝተፈላለየ ህይወት ስለዝነብሩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ዝተፈላለየ ምዕባለ ስለዘሕልፉን፡ ዝተፈላለየ ኣጠቃቕማ ማሕበራዊ መራኸቢታት ስለ ዝህልዎምን ክኸውን ይኽእል።” መጽናዕቲ፡ ወለዲ ንደቆም ስማርትፎን ይግዝኡዶስ ኣይግዝኡ፡ ኣብ ዝብል ሓበሬታ ክህብ ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ \"መዓስ?\" ንዝብል ግን ምላሽ ኣይህብን። ወለዲ፡ \"ንውላድን ንስድራቤትን ብኸመይ ይሰማማዕ?\" ዝብል ቀንዲ ክሓትዎ ዝግባእ ሕቶ ከምዝኾነ ኦጀርስ ትገልጽ። \"ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት፡ እቶም ህጻናት ቴሌፎን ክህልዎም ዝደልዩ እቶም ወለዲ እዮም፤ ምእንቲ ምሉእ መዓልቲ ርክብ ክገብሩን፡ ምእንቲ ምብጻሕን ምምላስን ደቆም ከወሃህዱን\" ትብል ኣብ ክፍሊ ርክብ ዩኒቨርሲቲ ቪየና ተመራማሪት ዝኾነት ኣንጃ ስቴቪች። ንህጻናት ናይ ናጽነትን ሓላፍነትን ስምዒት ዝህብ ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተኾነ ወለዲ ግን ክሓትዎ ዝግባእ ሕቶ ኣሎ። \"ደቆም ናይ ገዛእ ርእሶም መሳርሒ ክህልዎም ኣብ ዘኽእል ደረጃ ሓላፍነት ድዮም ዘለዉ?\" ካልእ ድማ ሓደ ወላዲ፡ ውላዱ ስማርትፎን ክውንን እንከሎ ክሳብ ክንደይ ምቹእነት ከም ዝስምዖ ምፍላጥ ዕሽሽ ክብሎ ዘይግባእ ረቛሒ እዩ። ስቴቪችን መሳርሕታን ኣብ ዝገበርዎ ሓደ መጽናዕቲ፡ ወለዲ ኣብ ልዕሊ ኣጠቓቕማ ስማርትፎን ደቆም ቁጽጽር ከምዘይብሎም ክስመዖም እንከሎ ዝያዳ ግርጭታት ከምዝተፈጥሩ ይሕብር። ሊቪንግስቶን፡ እንታይ ዓይነት መተግበሪ ክጥቀሙ ከምዝኽእሉን ረቛሒታትን ብዝምልከት እውን ክዛተዩ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ትላበው። ወለዲ ምስ ቆልዑ ብትሕዝቶ ሕጉሳት ምዃኖም ንምርግጋጽ ኣብ ጸወታታት ብሓባር ግዜ ከሕልፉ ይኽእሉ፣ ወይ ድማ ኣብቲ ቴሌፎን ዘሎ ትሕዝቶ ብሓባር ንምዝታይ ግዜ ክምድቡ ይኽእሉ። \"ገለ መጠን ክትትል የድሊ’ዩ። ኣብ ኢንተርኔትን ካብ ኢንተርኔት ወጻኢን ዝረኣይዎን ዘጋጥሞምን ነገር ንምድጋፍ ግን ምርድዳእን ግልጽነትን ዘለዎ ርክብ ክኽእሉ ኣለዎ\" ትብል ኦጀርስ። ለይቲ ለይቲ ቴሌፎን ኣብ መደቀሲ ውላድ ከይኸውን ዝብሉ ገለ ሕግታት ኣጠቓቕማ ስማርትፎን ኣብ ዘቐምጡሉ እዋን፡ ወለዲ ንናይ ገዛእ ርእሶም ኣጠቓቕማ ስማርትፎን እውን ብቕንዕና ክፍትሹ ኣለዎም። \"ህጻናት ምስሉይነት ኣይፈትዉን\" ትብል ሊቪንግስቶን። \"ከም ኣብ ግዜ መግቢ ቴለፎን ምጥቃም ወይ ቴለፎን ሒዝካ ምድቃስ ዝኣመሰለ ወለዶም ባዕሎም ዝገብርዎ ነገር ስለ ዝገበሩ ከምዝተቐጽዑ ክስምዖም ኣይግባእን።\" ኣዝዮም ንኣሽቱ ህጻናት ከይተረፉ ኣጠቓቕማ ቴለፎን ካብ ወለዲ ከምዝማሃሩ ሓደ ኣውሮጳዊ ጸብጻብ ይገልጽ። ክሳብ ሸሞንተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ብዛዕባ ሓደጋታት ንቕሓት ከምዘይብሎም፡ እንተኾነ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ንኣጠቓቕማ ወለዶም ከምዘንጸባርቑን ወለዶም ዝጥቀምሉ ‘ፓስዎርድ’ ከይተረፈ ዝፈልጡ ህጻናት ከምዘለዉን እቲ ጸብጻብ የረጋግጽ። ወለዲ ግን ኣብ ዕማማት ንኣሽቱ ህጻናት ብምስታፍ፡ ከምኡ’ውን ባዕሎም ጽቡቕ ልምዲ ብምርኣይ ነዚ ንረብሓኦም ከውዕልዎ ይኽእሉ። ኣብ መወዳእታ፡ ንህጻናት መዓስ ስማርትፎን ክግዝኣሎም ከም ዘለዎ ዝውስኑ ወለዲ እዮም። ንገሊኦም፡ እቲ ቅኑዕ ውሳነ፡ ዘይምግዛእ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ቁሩብ ፈጠራ ሓዊሶም ድማ ስማርትፎን ዘይብሎም ህጻናት ዘምልጦም ነገር ከይህሉ ምግባር ይኽእሉ። \"ብመጠኑ ርእሰ ተኣማንነትን ማሕበራዊ ርክብ ዘለዎምን ህጻናት፡ ኣካል ናይቲ ጉጅለ ንምዃን መፍትሒ ይረኽቡ እዮም\" ትብል ሊቪንግስቶን። ብሓቂ፡ ቴሌፎን ብዘይምውናኖም ዝስምዖም ድሑር ናይ ምዃን ፍርሒ ምጽዋር ምምሃር፡ ንዓበይቲ መንእሰያት ጠቓሚ ትምህርቲ እዩ። \"እቲ ጸገም ግን እቲ ድሑር ናይ ምዃን ፍርሒ፡ መወዳእታ ዘይብሉ ምዃኑ'ዩ። ስለዚ ኩሉሰብ ኣብ ሓደ ቦታ ወሰን ከመዓራርይ ኣለዎ\" ትብል ሊቪንግስቶን። \"እንተዘይኮይኑ ኣብ ሰሙን ን7 መዓልቲ፡ ኣብ መዓልቲ ን24 ሰዓታት ምሽክርካር ጥራይ እዩ ዝኸውን’ሎ።\"","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c9enke528e8o"} {"headline":"ሰባት፡ ስለምንታይ’ዮም ደሞዞም ኣብ ቲክቶክ ዝልጥፉ ዘለው?","content":"በዚ ናይዚ ዘመን ኣጸዋውዓ፡ ‘ጄን ዚ’ ወይ ወለዶ ዚ ተባሂሎም ዝጽውዑ ኢንተርነትን ማሕበራዊ ሚዲያን ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘመን ዝተወለዱ ሰባት፡ ካብ ኣከዳድንኦም ክሳብ መዓልታዊ ዝበልዑዎ መግቢ ኣብ ኢንተርነት ከካፍሉ ልሙድ ኰይኑ እዩ። ሕጂ ክኣ፡ ካብዚ ብዝተፈለየ፡ ኣግሂድካ ንምዝራብ ንነዊሕ እዋን ከም ነውሪ ዝቑጸር ዝነበረ ጉዳይ ደሞዞም ምልጣፍ ጀሚሮም ኣለው። ሃና ዊልያምስ፡ ዝዀነ ኣብ መገዲ ዝረኸበቶ ሰብ ቁሩብ ክኩርኩሖ ዝኽእል ሕቶ ከይተሓተተ ኣይሓልፍን፤ “እንታይ ትሰርሕ? ደሞዝካ ክንደይ’ዩ?\" ጓል 25 ዓመት ዊልያምስ፡ መስራቲት ‘Salary Transparent Street’ ዝተባህለ ልዕሊ 850 ሽሕ ሰዓብትን 16.7 ሚሊዮን ‘ላይክ’ ዝረኸበን ናይ ቲክቶክ ኣካውንት ኣለዋ። ኣብቶም እትሰርሖም ቪድዮታት፡ ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣሜሪካ ብምኻድ ኣብ መገዲ ሰባት ደው እናበለት ብዛዕባ ሞይኦምን ደሞዞምን ከካፍሉ ትገብር። “ሰባት ብዙሕ ኣይዛረብሉን፤ ግን ክኣ ክዛረብሉ ይግባእ። ዝተለምደ ክኸውን ኣለዎ፤ ብተወሳኺ ዚያዳ ኣብ ሞንጐ ጾታን ዓሌትን ዘሎ ኣፈላላይ ደሞዝ ብዝፈለጥኹ ቑጽሪ፡ እዚ ክንዛረበሉ ዝግባእ ክኸውን ኣለዎ ብምባል እቲ ናይ ቲክቶክ ኣካውንት ከፊተ” ትብል። ሕጂ፡ ንሳ ንብሕታ ጥራይ ኣይኰነትን እዚ ሕቶ ትሓትት። መናእሰይ ወለዶ፡ ግልጽነት ደሞዝ ክህሉ - ሰባት ዝረኽቡዎ ኣታዊ ብግልጺ ምስ ካልኦት ንከውግዑ - ኣብ ትዊተር፣ ቲክቶክን ካልኦትን ጐስጓስ ይገብሩ ኣለው። ነዚ፡ ገለ ሓገግቲ ንቕድሚት ይወስዱዎ። ንኣብነት፡ ብሰሉስ ካሊፎርኒያ ልዕሊ 15 ሰራሕተኛታት ዘለዎም ኣስራሕቲ፡ ንዘለዎም ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታ ዝገልጽ ደሞዝ ክልጥፉ መምርሒ ሂባ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ሞንጐ ዓሌትን ጾታን ዘሎ ናይ ደሞዝ ኣፈላላይ ዘርኢ ሰነዳት ክፍተሽ ኣዚዛ። ቲክቶከራት፡ ነዚ ሕጊ ደጊፎም ሓጐሶም ገሊጾም። ካልኦት ከተማታትን ግዝኣታትን ኣሜሪካ’ውን፡ ተመሳሳሊ ሕጊ ኣጽዲቐን። ኣብ ሕሉፍ፡ ገለ ትካላት መጠን ንሰራሕተኛታት ዝኸፍሉዎ ገንዘብ ወግዓዊ ክገብሩ ድልየት ኣይነበሮም። ሕጂ ግን እዚ ይቕየር ከም ዘሎ ተንተንቲ ይገልጹ። ቅድም ኢሉ፡ ኣብ ኣሜሪካ ይኹን ካልኦት ሃገራት፡ ብዛዕባ ደሞዝካ ምውጋዕ ኣይተለመደን ነይሩ። ግን ድማ፡ ብዛዕብኡ ምዝራብ፡ ብዝተወሰነ መልክዑ ንርእስኻ ብዛዕባ ዘለካ ዋጋ ከም ምዝርራብ እዩ ዝቑጸር ክብል፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርኒያ በርክለይ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ዶክተር ሪካርዶ ፔሬዝ-ትሩግሊያ ይዛረብ። “ብማእከላይ፡ ደሞዝ ንኣስራሕቲ ክንደየናይ ኣገዳሲ ምዃንካ ዘርኢ’ዩ። ስለዚ፡ ልክዕ ብዛዕባ ናይ ትምህርቲ ውጽኢቶም ክዛረቡ ጽቡቕ ዘይስምዖም፡ ገለ ሰባት ብዛዕባ ኣታዊኦም ክዛረቡ ክስከፉ ምርኣይ ክደንቀና የብሉን” ኢሉ። ደሞዝ ዝተፈላለዩ ሞያን ገምጋም ኩባኒያታትን ዘተኣናግድ መርበብ ሓበሬታ ግላስዶር ክኢላ ስነ ቑጠባ ዝዀነ ኣሮን ቴራዛስ በዚ ሓሳብ ይሰማማዕ። “ምንጪ ከቢድ ጭንቀት” ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ ዝዀነ ሰብ ልዑል ወይ ትሑት ተኸፋሊ ምዃኑ ክዛረብ ኣይደልን ይብል። ብዙሓት መናእሰይ ግን፡ ኣብ ኦንላይን ብዛዕባ ዝረኽቡዎ ደሞዝ ክዛረቡ ፍቓደኛታት ምዃኖም ዘርእዩ መረዳእታታት ኣለው። ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ገምጋም ማዕረ ክፍሊት ሲንዲዮ ማሪያ ኮላኩሪዮ “ብዙሓት ማሕበራዊ ጐስጓሳት ከም ምህላዎም መጠን፡ እቲ መንእሰይ ወለዶ’ዩ መሪሕ ተራ ዝወስድ ዘሎ” ትብል። ከም ጸብጻብ ሊንከዲን ማርኬት፡ ልዕሊ 80 ሚኢታዊት መናእሰይ፡ ብዛዕባ ደሞዝካ ምዝርራብ ማዕረ ክፍሊት የተባብዕ’ዩ ኢሎም ይኣምኑ። ገለ መጽናዕታት’ውን፡ ደሞዝ ግልጺ ክግበር እንከሎ ኣብ ጾታ ዘሎ ኣፈላላይ ክፍሊት ይጐድል እዩ ይብሉ። ብ2006፡ ዴንማርክ ትካላት ኣብ ሞንጐ ጾታ ዘሎ ኣፈላላይ ደሞዝ ወግዓዊ ክገብሩ ገይራ፤ ነዚ ስዒቡ ኣብ ቀረባ ዝወጽኡ ጸብጻባት እቲ ኣብ ጾታ ዝነበረ ኣፈላላይ ደሞዝ ብ2 ሚኢታዊት ከም ዝጐደለ የርእዩ። ኣብ ካናዳ’ውን፡ ናይ ዩኒቨርሲቲ ደሞዝ ወግዓዊ ክግበሩ ኣለዎ ዝብሉ ሕግታት ምስ መጽኡ ኣብ ሞንጐ ጾታ ዝነበረ ናይ ክፍሊት ኣፈላላይ ካብ 20 ክሳብ 40 ሚኢታዊት ከም ዝነከየ ይግለጽ። ንዝሓለፉ 90 ዓመታት፡ ሰራሕተኛታት ንሓድሕዶም ብዛዕባ ደሞዝ ክዘራረቡ ዘተባብዕ ሃገራዊ ሕጊ እኳ እንተጸንሐ፡ ገለ ሰራሕተኛታት ኣሜሪካ ግን ብዛዕብኡ ከይዛረቡ ጸቕጢ ከም ዝግበረሎም ክገልጹ ጸኒሖም። ግላስዶር፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ፡ 28 ሚኢታዊት ሰራሕተኛታት ኣስራሕቶም ብዛዕባ ደሞዝ ምስ መሳርሕቶም ከይዘራረቡ ከም ዝገብሩ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣፕል፡ ሰራሕተኛታት ብዛዕባ ደሞዝ ዝዘራረብሉ ዝነበረ መስመር ክዕጾ ገይሩ’ዩ። ኮሎራዶ፡ ብ2021 ሕጊ ግልጽነት ክፍሊት ከተተግብር እንከላ፡ ገለ ብራሕቒ ዝቘጽራ ትካላት፡ ኮላሮዳውያን ንዘይኰኑ ሰባት ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታ ብምምችቻእ እቲ ሕጊ ንጐኒ ገዲፎም ክኸዱ ፈቲኖም ነይሮም። ግን ድማ፡ መብዛሕትአን ግዝኣታት ኣሜሪካ ተመሳሳሊ ሕጊ ከጽድቓ ምስ ጀመራ፡ ኣስራሕቲ ብዛዕባ ደሞዝ ዝግበሩ ዝርርባት ከውግዱዎም ኣይተኽኣሎምን። ከም ኣፕልን ሜታን ዝበሉ ዓበይቲ ትካላት ቴክኖሎጂ ዝርከቡላ ካሊፎርኒያ፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመት እቲ ሕጊ ኣብ ተግባር ክውዕል ክትገብር እያ። እዚ ዓብዪ ጽልዋ ከም ዝህልዎ ተንተንቲ ይዛረቡ። ንቲክቶከር ዊልያምስ፡ ብዛዕባ ደሞዝ ምዝርራብ ኣብ ናይ ርእሳ ስራሕ’ውን ለውጢ ክትገብር ደፊኡዋ እዩ። ተንታኒት ዳታ ኰይና እትሰርሐሉን ኣብ ዓመት 115 ሽሕ ዶላር እትረኽበሉን ስራሕ ኣቋሪጻ፡  ኣብ ‘Salary Transparent Street’ ሙሉእ ሰዓታ ኣወፊያ ትሰርሕ ኣላ። ካብኡ፡ ኣብዚ ዓመት 150 ሽሕ ዶላር ክትረክብ ትጽቢት ትገብር።","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c2e1jzjnnlzo"} {"headline":"ኤሎን መስክ ኣብ ልዕሊ ትዊተር ትራምፕ ዝጸንሐ እገዳ ኣልዒሉ","content":"ሓድሽ ወናኒ ትዊተር ኤሎን መስክ ኣብ ልዕሊ ገጽ ትዊተር ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ጸኒዑ ዝጸንሐ እገዳ ኣልዒሉ። ትራምፕ ናብ ትዊተር ክምለስ ዝተገበረሉ ምኽንያት ርእይቶ ህዝቢ ምስተኣከበ’ዩ ዝበለ መስክ፡ ተጠቐምቲ ትዊተር ነቲ ስጕምቲ ከምዝደገፍዎ ተዛሪቡ። “ህዝቢ ወሲኑ’ሎ” ኢሉ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ገጽ ትዊተር ዝጽሓፈ ኤሎን መስክ፡ ካብቶም ልዕሊ 15 ሚልዮን ተጠቐምቲ ትዊተር እቶም 51.8 ሚእታዊት ኣብ ልዕሊ ዶናልድ ትራምፕ ተወሲኑ ዝነበረ እገዳ ክለዓል ምድጋፎም ገሊጹ። እንተዀነ ዶናልድ ትራምፕ ቅድሚ ሕጂ ናብ ማሕበራዊ ሚድያ ንኽምለስ ዘኽእል፡ “ዋላ ሓንቲ ምኽንያት ኣይርኣየንን” ኢሉ ስለዝነበረ፡ ናብ ትዊተር ዘይክምለስ ከምዝኽእል ዘመላኽት’ዩ ተባሂሉ’ሎ። ገጽ ትዊትር እቲ ፕረዚደንት ነበር ዝተኣገደ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኰይኑ፡ ዝተዓጸወሉ ምኽንያት ድማ 'ህውከትን ዕግርግርን ብምልዕዓል' ዝብል ከምዝነበረ ዝዝከር’ዩ። ደገፍቲ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ናብ ዝርከብ ካፒቶል ሂል ጥሒሶም ምስኣተዉ’ዩ ነይሩ እቲ ነባር ምምሕዳር ትዊተር ናይቲ ፕረዚደንት ነበር ገጽ ትዊተር ክእገድ ዝወሰነ። ኮንግረስ ኣሜሪካ፡ ጆ ባይደን ኣብቲ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ተዓዋቲ ከምዝኾነ ክእውጅ ኣብ ዝፈተነሉ ግዜ፡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ደገፍቲ ትራምፕ ናብ ካፒቶል ሂል ጥሒሶም ብምእታው ህውከትን ዕግርግርን ኣለዓዒሎም። ብሰንኪ እቲ ህውከትን ዕግርግርን ኣርባዕተ ሰለማውያን ሰባትን ሓደ ኣባል ፖሊስ ኣሜሪካን ህይወቶም ከምዝሓለፈ ይዝከር። ድሕሪ እቲ ዝተፈጠረ ህውከት ሽዑ ንሽዑ ገጻት ፈይስቡክ፡ ኢንስታግራምን ዩትዩብን ዶናልድ ትራምፕ ንኽእገዱ ውሳነ ተዋሂቡ። እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብቶም ዝተዓጸዉ ማሕበራዊ ገጻቱ ብዓሰርተ ሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰዓብቲ ነይርምዎ። ዶናልድ ትራምፕ፡ ድሕሪ ኣዋርሕ ናይ ገዛእ ርእሱ “ትሩዝ ሶሻል” ዝሰመዮ ማሕበራዊ ሚድያ ከፊቱ። ኣብ መፈለምታ እዚ ሰሙን ፖለቲከኛ ሰልፊ ሪፓብሊካን ዝዀነ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 2024 [ኣ.ኣ] ንፕረዚደንትነት ከምዝወዳደር ዕላዊ ከምዝገበረ ይፍለጥ። ቀዳማይ ሃብታም ዓለም ኤሎን መስክ ነቲ ኣብ ዓለም ገኒኑ ዝርከብ ማሕበራዊ ሜድያ ትዊተር ብ44 ቢልዮን ዶላር’ዩ ዓዲግዎ። ንትዊተር ምሉእ ብምሉእ ምስተቘጻጸረ መሰረታዊ ዝዀነ ለውጢ ኣብ ምግባር ተጸሚዱ ዝርከብ ኤሎን መስክ ናይ ጽልኢ ዘረባታት ይኵን ግጉያት ሓበሬታን ዘድሃቡ መምርሕታት ትዊተር ክልሕልሑ ይኽእሉ’ዮም ዝብል ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crgkn98xj0xo"} {"headline":"ንነዊሕ ሰዓታት ትሰርሑ፤ እንተዘይደሊኹም ስራሕ ልቐቝ' - ኢሎን መስክ","content":"ኢሎን መስክ፡ ሰራሕተኛታት ትዊተር \"ንነዊሕ ሰዓታት ብዝለዓለ ጻዕቂ\" ክሰርሑ ከም ዘለዎም፡ እንተዘይኰይኑ ካብቲ ትካል ክወጽኡ ከም ዝነገሮም ጸብጻባት ሓቢሮም። ሓድሽ ወናኒ እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ንሰራሕተኛታቱ ኣብ ዝለኣኾ ኢመይል፡ እቶም ሰራሕተኛታት ኣብቲ ትካል ክጸንሑ ዝደልዩ እንተዀይኖም በዚ ክሰማምዑ ኣለዎም፡ ከም ዝበለ ዋሽንግተን ፖስት ጸብጺቡ። በዚ መሰረት፡ እቶም ክሳብ ሎሚ ሓሙስ ነዚ ጠለብ ዘይተቐበሉ ሰራሕተኛታት፡ ናይ ስራሕ ውዕሎም ተቛሪጹ ናይ ሰለስተ ወርሒ ክፍሊት ክወሃቦም ምዃኑ መስክ ገሊጹ። ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ትዊተር መብርሂ ንምርካብ ሓቲቱ ኣሎ። እቲ ዘ ጋርዲያን’ውን ዝርኣዮ፡ መስክ ናብ ሰራሕተኛታቱ ዝጸሓፎ ኢመይል፡ ትዊተር ንኽዕወት \"ኣዝዩ ተሪር ክኸውን ከድልዮ'ዩ። እዚ ማለት ንነዊሕ ሰዓታት ብዝለዓለ ጻዕቂ ምስራሕ ማለት'ዩ። ፍሉይ ኣፈጻጽማ ጥራይ እዩ ንመሕለፊ ነጥቢ ዝኸውን\" ኢሉ። ሰራሕተኛታት፡ \"ኣካል ናይቲ ሓድሽ ትዊተር\" ክዀኑ እንተደልዮም፡ ክሳብ ሓሙስ ሰዓት 17፡00 [EST - ምብራቓዊ መለክዒ ግዜ] ንሓንቲ ፈለግ [ሊንክ] ጥራይ ብምጥዋቕ በቲ ዝቐረበሎም ጠለብ ከም ዝተሰማምዑ ከረጋግጹ ከም ዘለዎም ተነጊርዎም ኣሎ። ወሲኹ፡ \"ውሳነኹም ብዘየገድስ፡ ንትዊተር ዕዉት ንምግባር ንዝገበርኩምዎ ጻዕሪ የቐንየልና\" ኢሉ። እዚ ሃብታም ዓለምና፡ ነቲ ኩባንያ ብ44 ቢልዮን ዶላር ድሕሪ ምዕዳጉ፡ ፍርቂ ሰራሕተኛታት ትዊተር ካብ ስርሖም ከም ዝለቐቝ ኣፍሊጡ ኣሎ። መስክ፡ እቲ ኩባንያ ኣብ መዓልቲ 4 ሚልዮን ዶላር ይኸስር ስለ ዘሎ፡ ምጕዳል ብዝሒ ሰራሕተኛታት፡ \"ኣማራጺ\" ዘይብሉ ጉዳይ ከም ዝዀነ ይዛረብ። ንሱ፡ ዋንነት እቲ ትካል ካብ ዝርከብ ንደሓር፡ ብርክት ዝበሉ ፈጸምቲ ስራሕ ትዊተር’ውን ካብ ስልጣኖም ወሪዶም እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እቲ በዓል ሃብቲ ንሰራሕተኛታቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብ ቦታ ስራሕ ወጻኢ [ብርሕቀት] ዝስራሕ ስራሕ ኣብ ቀረባ እዋን ደው ከም ዘብልን ንቕድሚት፡ \"ከበድቲ ግዜያት\" ከም ዝጽበዮምን ከም ዝተዛረበ ጸብጻባት ይሕብሩ። ንሰራሕተኛታት ኣብ ዝለኣኾ ኢመይል’ውን፡ ሰራሕተኛታት ኣብ ሰሙን እንተወሓደ ን40 ሰዓታት ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ክሰርሑ ትጽቢት ከም ዝግበረሎም ገሊጹ። በዓልቲ ሃብቲ ቴክኖሎጂ ሳራ ኩንስት ግን፡ ትዊተር ዘጋጥሞ ዘሎ ጸገማት፡ መስክ ነቲ ትካል ምዕዳጉ ኣብ ከቢድ ዕዳ ስለ ዘእተዎ ጥራይ እዩ ኢላ። ንሱ፡ ዘርእዮም ዘለዉ ባህሪያት ስዒቡ’ውን ገለ መወዓውዒ ዝገብሩ [ኣድቨርታይዘራት] ወጻኢታቶም ደው ከብሉ ከም ዝገበሮም ትዛረብ። \"ሕጂ ነቲ ቃንዛን ዘይርጕጽነትን ኣብ ልዕሊ እቶም ሰራሕተኛታት ከውርድ ይፍትን ኣሎ\" ትብል። ወሲኻ፡ መስክ ብዛዕባ ሰዓታት ስራሕ ንሰራሕተኛታት ዝልኣኾ ኢመይል ብሓቂ ክሳብ ክንደይ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ዝብል ሕቶ ዘልዕል እዩ ኢላ። \"ንሰራሕተኛታትኻ ኢመይል ጥራይ ብምስዳድ ናይ ስራሕ ውዕሎም ክትቅይር ትኽእል ዲኻ? እዚ ንቅድሚት ክርአ እዩ።\" ዋና ስፔስ ኤክስን ትካል ኤለክትሪክ መካይን ቴስላን መስክ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ቤት ጽሕፈት ትዊተር ይድቅስ ነይሩ። ንሱ፡ ነቲ ኣብ 2018 ካብ ቴስላ ዝረኸቦ ዓይኒ ዝስሕብ 56 ቢልዮን ዶላር ክፍሊት ዝምልከት መብርሂ ንምሃብ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ቀሪቡ ነይሩ። ኣብኡ፡ ብዛዕባ ናይ ስራሕ ልምዱ ክዛረብ እንከሎ \"ብዘይካ ሳሕቲ ዳርጋ ኵሉ ግዜ እየ ዝሰርሕ\" ኢሉ። ድሒሩ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ እቲ ኣብ ትዊተር ዝካየድ ዘሎ \"መሰረታዊ ትካላዊ ዕረያ\" ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ክዛዘም ምዃኑ ወሲኹ ገሊጹ። መስክ፡ ዘለዎ ጻዕቒ ስራሕ ከቃልለሉ ዝኽእል ሓደ መንገዲ፡ ንኣመራርሓ ካልኦት ትካላቱ ብምክፋል ምዃኑ’ውን ተዛሪቡ።","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c51grld57pwo"} {"headline":"ብበዓልስልጣን ኣላጊፆም ዝተብሃሉ ‘ቲክቶከራት’ ብኩርማጅ ክግረፉ ተፈሪዶም","content":"ኣብ ናይጀርያ ዝርከቡ ክልተ ከዋኽብቲ ቲክቶክ፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠቒሞም ንሓደ በዓል ስልጣን መንግስቲ ድሕሪ ምቅላዶም፡ ብመግረፍቲ ክቕፅዑ ተፈሪዶም። ነቲ ቤት ፍርዲ ከጽርዩ’ውን ተገዲዶም። ሙባረክ ዒሳ መሓመድን መሓመድ ቡላን ንኣመሓዳሪ ሰሜናዊ ግዝኣት ካኖ-ናይጄርያ፡ ዓብደላሂ ጋንዱጀ ብምጽላም’ዮም ገበነኛታት ኮይኖም ተረኺቦም። ጠበቓ እቶም ተኸሰስቲ፡ ዓማዊሉ ነቲ ፍርዲ ከምዘይቃወምዎ ገሊጹ። ኣብ ናይጀርያ፡ ኮሜዲ (ቀልዲ) ብምጥቃም ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ጉዳያት ነቐፌታታት ዝህቡ ከዋኽብቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቁጽሮም እናወሰኸ ይርከብ። ሙባረክ ዒሳን ሙሓመድ ባላን፡ ነቲ ኣመሓዳሪ፡ መሬት ብምዝማት፡ ብብልሽውናን ኣብ ስራሕ ብምድቃስን ዘላገጹሉ ቪድዮ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቲክቶክን ፌስቡክን ድሕሪ ምዝርግሖም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ተፈሊጡ። ወዳ ኣሕመድ ወዳ ዝተብሃለ ዓቃቢ ሕጊ፡ እቶም ሰባት ንስም እቲ ኣመሓዳሪ ከምዘጸለሙን እቲ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ሰላም ህዝቢ ናይ ምዝራግ ዓቕሚ ከምዘለዎን ገሊጹ። ገበኖም ተኣሚኖም ምሕረት ክግበረሎም እንተሓተቱ’ኳ፡ ዳኛ ግን ነፍሲ ወከፎም 20 መግረፍቲ ክግረፉ፤ 10 ሽሕ ገንዘብ ናይጀርያ ናይራ (20 ፓውንድ) መቕጻዕቲ ክኸፍሉን ን30 መዓልታት ቀጽሪ ቤት ፍርዲ ከጽርዩን ኣዚዙ። ብተወሳኺ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንኣመሓዳሪ ሰሜናዊ ግዝኣት ካኖ-ናይጄርያ፡ ዓብደላሂ ጋንዱጀ ብግልጺ ይቕሬታ ​​ክሓቱ ተበይንዎም። ጠበቓኦም በሽር ዩሱፍ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ፍርዲ ''ዘይማእሰርቲ'' ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው ከምዘይቃወምዎ ሓቢሩ። ናይጀርያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ተጠቀምቲ ቲክቶክ ቕልጡፍ ወሰኽ ከምዘርኣየት ይግለፅ። እዞም ተጠቀምቲ ቲክቶክ ንሰበስልጣን መንግስቲ ሓዊሱ ንፍሉጣት ሰባት ዝምልከት ስእሊ ወይ ቪድዮ ብምድላው የላግጹሎም፤ ብኸምዚ ድማ ብዙሓት ሰዓብቲ ንምስሓብ ኮሜዲታት የዳልዉ።","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2qyyjlyl0o"} {"headline":"ብዝተራቐቐ ምትላል ዝተጓሃሃረ ስኑዕ ዕላል ጾታዊ ርክብ","content":"እቲ ዓሚል ኣብ ኣሜሪካ ዝነብር ወዲ 50 ዓመት ሰብኣይ ኰይኑ፡ እታ ብኢንተርነት ዘዛርባ ዘሎ ፅብቕቲ መንእሰይ ድማ ‘ጂንጀርሃኒ’ እያ ትብሃል። ኣብ ፕሮፋይላ ዘሎ ስእሊ ኣብ ዓራታ ዝደቀሰት ሞዴል የርኢ። እቲ ዓሚል፡ ጂንጀርሃኒ ኣብ ቀረባኡ ዘላ እዩ ዝመስሎ’ምበር፡ ካብቲ ንሱ ዝርከበሉ ኣዝዩ ርሑቕ ኣብ ዝዀነ ናይጀርያ ዝነብር ወዲተባዕታይ ምዃኑስ ኣይፈልጥን እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ፡ ምስተን ሰሓብቲ መንእሰያት ዝመስላኦም ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ንኸዕልሉ ኣማኢት ዶላራት ይኸፍሉ፤ እተን \"ፅቡቓት ደቂኣንስትዮ\" ግን ዘይንሰን ክዀና ከምዝኽእላ ቢቢሲ ክግንዘብ ክኢሉ’ሎ። ንኣዋርሕ ዝተኻየደ መስርሕ ምእካን መርትዖታት፡ ብድሕሪ እዞም ናይ ሓሶት ፕሮፋይላት ብደረጃ ዓለም ዝፍጸም ስርሒት ከምዘሎ ዘቃልዐ ኰይኑ፡ ካብ ሆላንድ ክሳብ ኣሜሪካ፣ ካብ ሱሪናም [ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ እትርከብ ንእሸተይ ሃገር] ክሳብ ናይጀርያ ዝዝርጋሕ እዩ። ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲ ናይጀርያዊ ኣቢዮዱን (ሓቀኛ ስሙ ኣይኰነን) ሓደ ካብቶም ብሆላንዳዊ ትካል “ሚቲዮር ኢንተርኣክቲቭ ቢቪ” ኣብ ዝውነኑ መርበባት ምኩሻም (dating)፡ ናይ ሓሶት ፕሮፋይል ዘካይዱ ብዙሓት ሰራሕተኛታት እዩ። ኣቢዮዱን ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝኸፈቶም ብርክት ዝበሉ ኣካውንታት እናቐያየረ እዩ ስርሑ ዝሰርሕ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዜ ድማ ምልክዕቲ ጻዕዳ ጓል ኣንስተይቲ ተመሲሉ እዩ ዝቐርብ። ንሱ፡ ኣብ ሓደ መርበብ ሓበሬታ፡ ‘ጂንጀርሃኒ’ [Gingerhoney] ዝብል ስም ዝሓዘት ጓል 21 ዓመት ሞዴል ብምምሳል ዝቐረበ ኰይኑ፡ እታ መንእሰይ፡ ሮዛ ሕብሪ ዘለዎ ኮቦርታ ትሕቲ ሽምጣ ተሸፊና ትርአ። ንሳ ንነብሳ ካብ መዓር ዝበለጸት ነገር ምዃና ትገልጻ። ደቂ ተባዕትዮ ድማ ‘ጅንጅብል’ ኢሎም ክጽውዕዋ ተተባብዕ። ነዚ ዝመረጸትሉ ምኽንያት ክትገልጽ እንከላ \"ምስ ጸጕረይ ዝመሳሰል ሕብሪ ስለዝዀነ” ትብል። ኣብ ኮምፒተር ኣቢዮዱን ዝተፈላለዩ ጽዩፋት ምስልታት ጅንጅብል ዝሓዘ ‘ፎልደር’ ኣሎ። ከምዚኦም ዝበሉ ስእልታት ዝሓዘሉ ምኽንያት ድማ ምናልባት ዓማዊል ስምዒት ዘለዓዕሉ ስእልታት ክለኣኸሎም ከይሓቱ ብምሕሳብ’ዩ። እቶም ምስልታት፡ ነቲ ናይ ፕሮፋይል ስእሊ ሓዊስካ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዝተወስዱ እኩብ ስእልታት እዮም። ንፕሮፋይል ጂንጀርሃኒ ዝቈጻጸር ግን ኣቢዮዱን ጥራይ ኣይኰነን። ካልኦት ከምኡ ዝበሉ ዓሰርተታት ተቘጻጸርቲ ስለዘለዉ በብእብረ እናተቐያየሩ ነታ ፕሮፋይል ን24 ሰዓታት የመሓድርዋ። ከም ኣቢዮዱን ዝኣመሰሉ ኣካየድቲ ናይ ኦንላይን ዕላል [‘ቻት’] ኣዝዩ ምዕቡል መሳርሒ ካርታ ብምጥቃም ጂንጀርሃኒ ካብ ዓማዊላ ኣብ ውሽጢ 50 ኪ.ሜ ርሕቐት ከምዘላ ከምስሉ ይፍትኑ። በዚ ድማ እዮም ምስቶም ዓማዊል ዝራኸቡ። እቲ ዓሚል ነቲ ብኦንላይን ዘካይዶ ዕላል ብኽፍሊት እዩ ዝፍጽሞ። ብኣካል ክራኸባ’ውን ተስፋ ኣለዎ። እቶም መርበባት ክትጽምበሮም ነጻ ኰይኖም፡ ዓማዊል ናብተን \"ደቂ ኣንስትዮ\" መልእኽቲ ንምልኣኽ ወይ ካብአን ንምቕባል ግን ካብ 6 ዶላር ክሳብ 300 ዶላር ዝዋጋኡ ፓኬጃት ክምዝገቡ ኣለዎም። እቶም ብዕድመ ንኣሽቱ ዝዀኑ ዓማዊል ምስተን ኣብ ከባቢኦም ዘለዋ ዝመስላኦም ደቂ ኣንስትዮ ብኣካል ክራኸቡ ክደልዩ እንከለዉ፡ ዓበይቲ ዓማዊል ግን መብዛሕትኡ ግዜ ጾታዊ ስምዒት ብዘለዓዕል ዕላል፡ ስምዒት ጾታዊ ርክብ ዝፈጥሩ ስእልታትን ቪድዮታትን ዕጉባት ከምዝዀኑ ኣቢዮዱን ይዛረብ። ኣቢዮዱንን ካልኦት ነቲ ናይ ኦንላይን ዕላል ዘካይዱ መሳርሕቱን (chat moderators) ነቶም ዓማዊሎም ብዝተኻእለ መጠን ኣብተን ወብሳይታት ክፀንሑ ምግባር እዩ ዕላማኦም። በዓል ኣቢዮዱን ነፍሲወከፍ ብፅሑፍ ዝለኣኽ መልእኽቲ እንተወሓደ 150 ፊደላት ክበፅሕ፡ ከምኡ’ውን እቲ ዕላል ምእንቲ ካልእ እዋን ክቕፅል \"ዘይተመልአ ወይ ዘይተዓፀወ” ክኸውን ከም ዘለዎ እዩ መምርሒ ዝወሃቦም። ‘ሚቲዮር ኢንተርኣክቲቭ ቢቪ’ ኣብ ሱሪናም ብዝርከብ ኦራኖ ሮዝ ዝተባሃለ ሱሪናማዊ ሰብኣይ ዝተመስረተ፡ ‘ሎጂካል ሞደሬሽን ሶሉሽንስ (LMS)’ ብዝብል ንዝፍለጥ ኩባንያ ብፅሒት ስራሕ ብምሃብ ንጥፈታቱ የካይድ። ‘ኤል ኤም ኤስ’ ድማ ናይጀርያውያን ናይ ኦንላይን ዕላል ኣካየድቲ ብምቝጻርን ብምስልጣንን ይሰርሕ። ቢቢሲ ኣብ ዋትስኣፕ፡ ቴሌግራምን ስካይፒን ኣካውንትታት ኤልኤምኤስ መርትዖታት ረኺቡ’ሎ። እቲ ኩባንያ፡ ኣማኢት ኣካየድቲ ኦንላይ ዕላል ከምዝቘጸረን ከምዘሰልጠነን፡ መብዛሕትኦም ድማ ኣብ ናይጀርያ ግዝኣታት ሌጎስን ኣቡጃን ከምዝነበሩ’ውን ኣቃሊዑ። እቶም ዕድላት ስራሕ ኣብ ኢንስታግራም፡ ትዊተርን ቴሌግራምን ዝዝርግሑ ኰይኖም ንስራሕ ኣልቦን ዝተማህሩን መንእሰያት ናይጀርያ ዒላማ ይገብሩ። ነቲ ሓቀኛ ዝሰርሕዎ ስራሕ ብዘይምጥቃስ ድማ \"ስርሓት ኦንላይን\"፡ \"ዲጂታላዊ ማርኬቲን\"፡ \"ቻት ሞደሬተር\"፡ ብዝብል እዮም ነቶም መደባት ስራሕ ዘላልይዎም። ሓንቲ ካብተን ላዕለዎት መልመልቲ ኩባንያ ‘ኤልኤምኤስ’ ዝዀነት ኣብ ጀርመን እትነብር ኣደዳሞላ ዩሱፍ፡ ነቲ መወዓውዒታት ስራሕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታታ ክትዝርግሖ እንከላ፡ ህይወታ ኣዝዩ ኣብ ዘብለጭልጭን ምቹእን ኵነታት ኰይና ብጽቡቕ ተሕልፎ ከምዘላ ክተርኢ ትፍትን። \"እቲ ስራሕ ኣብ ጀርመንን ናይጀርያን ፍጹም ሕጋውን ፍቓድ ዘለዎን'ዩ\" ክትብል ነቶም ክቝጸሩ ዝደልዩ ሰባት ኣብ ቀዳማይ መዓልቶም ኣብ ዝገበርዎ ዕላል ዋትስኣፕ ትገልፀሎም። ኣደዳሞላ ዩሱፍ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ኣካየድቲ ቻት ክትመልመል ዝጸንሐት ኰይና፡ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ጥራይ ኣብ ሓደ ናይ ምልመላ መስርሕ፡ ኣማኢት ሰባት ተመዝጊቦም። ቢቢሲ ርእይቶኣ ክትህብ ንዘቕረበላ ሕቶ መልሲ ኣይሃበትን። \"እዞም ምዕራባውያን ሰባት ብቐንዱ ዕላል ክገብሩ እዮም ዝደልዩ\" ክብል ሓደ ኣሰልጣኒ ንሓደስቲ ምልምላት ዝተዛረቦም ኮይኑ፡ እቶም ሰልጠንቲ ብዝተኻእለ መጠን ነቲ ኣድካሚ ፈተናታት ቋንቋ እንግሊዝ ክሓልፉ ትጽቢት ይግበር። ኣብ ናይጀርያ ዳይረክተር ኤልኤምኤስ ዝዀነ ኒኮላስ ኣካንደ፡ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ ሓምለ ልዕሊ 100 ሰባት ከም ኣካየድቲ ዕላል ክሰርሑ ክምዝግብ እንከሎ እቲ ስራሕ ሕጋዊ ምዃኑ ሓቢርዎም ነይሩ። ቢቢሲ ርእይቶ ክህብ ንዘቕረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበን። ነቶም ኣካየድቲ ዕላል ኦንላይን ብዛዕባ ባህሊ፡ ቅዲ ጽሕፈትን ዓማዊሎም ኣብ ዝርከቡሎም ቦታታት ዘሎ ኣዘራራቢ ዛዕባን ብዝምልከት ትምህርቲ ይወሃቦም’ዩ። ከምኡ ዝግበረሉ ምኽንያት ከኣ እቲ ስራሕ ሓቀኛ መሲሉ ንኽሰምዖም ብዝብል’ዩ። ኣብ መወዳእታ ናይቲ ስልጠና ከኣ፡ ናብቲ መርበብ ሓበሬታታት መእተዊ ዝወሃቦም ኰይኑ ኣብኡ ድማ ከም ኣድራሻ ገዛ፡ ቍጽሪ ተሌፎንን ዕድመን ዝኣመሰለ ውልቃዊ ሓበሬታታት ዓማዊል ክርእዩ ይኽእሉ። ቢቢሲ፡ ደቂ ተባዕትዮ ብኢንተርነት ዝሃብዎ ርእይቶታት ርእዩ'ሎ። ኣብዘን መርበባት ሓበሬታ ካብ 300 ክሳብ 700 ዶላር ወጻኢ ብምግባር ምስተን ዘዕልላኦም ዝነበራ \"ደቂ ኣንስትዮ\" ክራኸቡ ብተስፋ ይጽበዩ ምንባሮም ይገልጹ። \"ን20 ደቂ ኣንስትዮ መልእኽቲ ሰዲደ ይኸውን እየ፤ ብውልቂ ክራኸብ ሓሳብ ከቕርብ ከለኹ ግን ኵሉ ግዜ ይናዋሕ ነይሩ\" ይብል ኣብቲ ‘ብሚቲዮር ኢንተርኣክቲቭ’ ዝውነን መርበብ ሓበሬታ 64.99 ዶላር ወጻኢ ከም ዝገበረ ዝሕብር ሓደ ሰብኣይ። ካልእ ሰብኣይ ድማ \"እተን ደቂ ኣንስትዮ ናይ ብሓቂ ምዃነን ብምግማት ልዕሊ 400 ዶላር ፓኬጅ ከምዝዓደገ” ይዛረብ። ሚቲዮር ኢንተርኣክቲቭ፡ ገለ ካብ ፕሮፋይላቱ ልብ ወለዳዊ ምዃኑን \"ብኣካል ናይ ምርኻብ ተኽእሎ ከምዘየሎን\" ኣብ ውዕልን ቅጥዕታቱን ብንጹር ከምዝሓበረ ይገልጽ። ይዅን እምበር፡ ናይጀርያውያን ኣካየድቲ ዕላላት ኦንላይ፡ ኣብቲ ናይ ካርታ መሳርሒ ስለምንታይ ምስ ዓማዊል ኣብ ቀረባ ርሕቐት ከምዘለዉ ንምምሳል ፈቲኖም ንዝብል መብርሂ ኣይሃበሉን። እዚ መሳርሒ እዚ፡ ነቲ ምትላል ዝያዳ ተኣማንነት ዝፈጥርን ፈጺሙ ንዘይከውን ብኣካል ናይ ምርኻብ ዕድል ናይ ሓሶት ተስፋታት ዝህብን እዩ። ንጥፈታት ናይዞም ኣካየድቲ ዕላል ኦንላይን፡ ምስቲ ኣብ ናይጀርያ ጽዩፍ ወይ ኣባጽሕ (adults) ዝዀኑ ትሕዝቶታት ብኢንተርነት ምልጣፍ ዝኽልክል ሕጊ ዝጻባእ ምዃኑ ክኢላታት ንቢቢሲ ሓቢሮም። ኣብ 2015 ዝወጸ ሕጊ ገበናት ሳይበር ነዞም ዝስዕቡ ይኽልክል፡ ኩባንያ ኤልኤምኤስ ኣብ ምትላልን ንኣባጽሕ ጥራሕ ዝምልከት ትሕዝቶታት ኣብ ምዝርጋሕን ተሳቲፉ እንተዀይኑ፡ ኣብ ናይጀርያ ዝተዋህቦ ፍቓድ ክስረዝ ከምዝኽእል ሓደ በዓል ስልጣን መንግስቲ እታ ሃገር ገሊጹ’ሎ። ወናኒ 'ቲ ኣብ ሱሪናም ዝርከብ ትካል ኤልኤምኤስ፡ ኦራኖ ሮዝ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ዘይሕጋዊ ስራሕ ይፍጽም ከምዘየለን ኣብ ናይጀርያ ብዛዕባ ዘሎ ሕጊ ገበናት ሳይበር ኣፍልጦ ከምዘይብሉን ብምሕባር፡ መደበሩ ኣብ ሱሪናም ብምዃኑ ድማ ንዕኡ ምኽሳስ ኣጸጋሚ ከምዝኸውን ተዛሪቡ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ናይጀርያውያን ስራሕ ኣልቦ ምዃኖምን ንኣዋርሕ ዝኣክል ብመምህራን ዩኒቨርሲቲ ዝተኻየደ ኣድማን ብዙሓት መንእሰያት ተስፋ ብምቝራጽ ስራሕ ይደልዩ ከምዘለዉ የመልክቱ። ኤልኤምኤስ ክሳብ 150 ሽሕ ናይራ (355 ዶላር) ዝበጽሕ ወርሓዊ ደሞዝ ከምዘቕርብ ብምግላጽ’ዩ ምልመላታት ዘካይድ። እዚ ገንዘብ ድማ ሓደስቲ መምህራን ካብ ዝወሃቦም መሃያ ብዕጽፊ ዝዛይድ እዩ። ነዚ ናይ 'ቻት ሞደሬሽን' ስራሕ ዘወዓውዕ ትዊተር፡ ነቲ ኣብኡ ዝሳተፍ ንሓደ በጽሒ ዝምልከት ትሕዝቶ ኣይጠቐሶን እዩ። ኣቢዮዱን እቲ ንሱ ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕ፡ \"ንእሽቶ ክፋል ዓለምለኻዊ ስርሒትን ምስ ምትላል ኢንተርነት ክነጻጸር እንከሎ ትሕት ዝበለ ገበንን\" ከምዝዀነ ይሓስብ። \"ካብቲ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ምስ ኣፍቀርቶም ወይ መሓዙቶም መዓልታዊ ዝገብርዎ ዕላል ዝፍለ ኣይኰነን\" ይብል። እቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ወዲ 50 ዓመት ሰብኣይ፡ \"ክንራኸብ’ዶ?\" ዝብል ሕቶ የቕርብ ኣሎ። \"ይቕሬታ ​​ሕጂ ከልበይ ሒዘ እግሪ ጕዕዞ ክገብር ኣለኒ\" ዝብል መልሲ ትህብ ጂንጀርሃኒ። እዚ ኣካየድቲ ዕላል ኦንላይን፡ ከምዚ ዓይነት ሕቶታት ኣብ ዝቐርበሎም እዋን ንምትዕሽሻው ክጥቀሙሉ ካብ ዝንገሮም ዓይነታት መመኽነይታ እቲ ሓደ እዩ።","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cmlnr09x18wo"} {"headline":"ናይጄሪያዊ ኢ-ኣማኒ ንእስልምና ተጻሪፍካ ብዝብል ናይ 24 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ","content":"ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሰሜናዊ ምምሕዳር ካኖ ናይጄሪያዊ ኢ-ኣማኒ ሙባረክ ባላ ንእስልምና ተጻሪፍካ ብዝብል ክሲ ገበነኛ ኮይኑ ከም ዝረኸቦ ብምግላጽ ብማእሰርቲ 24 ዓመታት ክቕጻዕ ፈሪዱ። እዚ ወዲ 37 ዓመት ፕሬዝደንት ማሕበር 'ሂዩማኒስት' ናይጄሪያ ንዝቐረብሉ 18 ክስታት ገበነኛ ክብሃል እንከሎ ምሕረት ሓቲቱ። ንሱ ካብ 2020 ጀሚሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዩ ጸኒሑ። ኣብታ ሃገር፡ ናይ እስላም ጉጅለታት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ንእስልምና ዘይጠቕሙ መልእኽታት ጠቂዑ'ዩ ብዝብል ክሲ ጥርዓን ኣቕሪቦም ጸኒሖም። ምምሕዳር ካኖ ዝበዝሕ እስላም ህዝቢ ዝነብረላ እያ። ኣብዚ ክልል፡ ጎና ጎኒ ዓለማዊ ሕግታት እስላማዊ ሕጊ'ውን ተግበራዊ ይኸውን። እቲ ኣብ ልዕሊ ባላ ዝተመስረተ ክሲ ብእስላማዊ ቤት ፍርዲ እንተዝርኣይ ነይሩ ድማ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ክፍረዶ ይኽእል ነይሩ። ሰብ ሞያ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዓለምለኻዊ ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላትን ግን ማእሰርቲ ባላ ብምኹናን ንክፍታሕ ሓቲቶም። ባላ፡ ብ2014 ናይ እስልምና እምነቱ ገዲፉ እዩ ኢ-ኣማኒ ኮይኑ። ካብኡ ንድሓር ስነ ልቦናዊ ሕክምና ናብ ዝወሃቦ ሕክምና ከም ዝተወስደ ይግለጽ። ብ2020 ኣብ ጎረቤት ክልል ካዱና ምስ ተኣሰረ ናብ ክልሉ ካዶ ተመሓላሊፉ። ናይጄሪያ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ እያ። ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዝበዝሑ ተኸተልቲ እስልምና ኮይኖም፣ ኣብ ደቡብ ድማ ኣዝዮም ኣመንቲ ዝኾኑ ክርስቲያን ዝበዝሑዎ እዩ።","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60992626"} {"headline":"ስለምንታይ ኢና ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ‘ንጸራረፍ?’ ዶ\/ር ዮናታን መልሲ ኣለዎ","content":"ኣብዚ እዋን፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ፡ ዝበዝሕ ግዜ መንነቶም ሓቢኦም  ብድፍረት ንውልቀሰባት ይዅን ማሕበረሰባት ክጻረፉ፡ ክዝልፉ፡ ከዋርዱ፡ ከጥቅዑ ንርእን ንሰምዕን ኣለና። ሰባት ካብቲ ገጽ ንገጽ ተራኺቦም ብንቡር ዘካይድዎ ርክብ ሕልፍ ብዝበለ፡ ንዓሌት፡ እምነት ጾታን ዘጥቅዕን ዘቆናጽብን ኣዕናዊ መሪር ቃላት፡ ጽዩፍ ጸርፊ፣ ኣቕሓሪ ዘለፋ የዘውትሩ። በዚ ከኣ ንሰባትን ማሕበረሰባት ካብ ምትፍናን ሰጊሩ ናብ ምቅትታል ዘምርሕ ይኸውን ኣሎ። ካብኡ ሓሊፉ እውን ነቶም ጽልኢ ዝጽሕትሩ ሰባት ንባዕሎም ተገምጢሉ ከጥቅዖም ይርአ። እዚ፡ ንኣነባብራን ርክባትን ዝጸሉ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝዝውተር ጽዩፍ ተግባር “እንታይ ኢና ንኸውን ዘለና?” ዘብል እዋናውን ኣሻቓልን ተርእዮ እዩ። ስለምንታይ ግን ከምኡ ይኸውን ኣሎ። ኣብ ፐን-ስተይት ዩኒቨርሲቲ፡ ኣብ ዓውዲ ሜድያን ርክባትን ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር  ዮናታን ጽገ፡ ኣብዚ እዋን እቲ ዝጸንሐ ኣገባብ ርክብ ብምዕባለ ቴክኖሎጂ ተቐይሩ፣ ኵሉ ብማዕረ ኣፍራዪ፡ ዘርጋሕን ተጠቃምን ሓበሬታ ክኸውን ዝፈጠሮ ዕድል ምዃኑ፡ ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ዘካየዶ ቃለመጠይቕ የረድእ። ማሕበራዊ ሜድያ፡ ሓበሬታ ንኽትረክብን ክትዝርግሕን ምስ ቀረባን ርሑቕን ክትራኸብን፡ ሓድሽ ዝምድናታት ክትፈጥርን ፍሉይ ዕድል ፈጢሩ። እቲ እወታዊ ሸነኹ፡ “ብቕልል ዝበለ ኣገባብን ብዝሓሰረ ዋጋን ብጽሑፍ፡ ብድምጺ ብስእልን\/ቪድዮን ናብራን ኣነባብራን ዝቕይር ስርሓትን ርክባት ክንፈጥር፡ ስራሕና ከነላሊ፡ ክንዝርግሕ ዘኽእል እዩ” ብምባል ንእወታዊ ሸነኹ ይዝርዝር ዶ\/ር ዮናታን። ብዘይካ’ዚ፡ ባህልን ስነጥበብን ናትና ይዅን ካልኦት ነስተማቕረሉ፡ ዝዀነ ፍልጠት ንረኽበሉ መድረኽ ምዃኑ ጠቒሱ። እቲ ፍሉይ ዝገብሮ፡ “ሰባት ብናጻ ሓሳባቶም ከንጸባርቝን ከካፍሉን ዘኽእል ባይታ ምዃኑ እዩ፡” ይብል። እቲ ዝጸንሐ መራኸቢ፡ “ካብ ሓደ ምንጪ [መንግስቲ ይዅን ውልቀ-ትካል] ነቲ ብዙሕ ዝህብ ጥራይ’ዩ፣ እቲ ዝበዝሕ ሰማዒ፡ ኣንባቢ፡ ተዓዛቢ ደኣ’ምበር፡ ሓሳባቱ ከንጸባርቕ ኣይክእልን፣ ወይ ውሑድ እዩ ወይ ከኣ ብምምያ (ሴንሰርሺፕ) ዝሓልፍ እዩ” ይብል። ወሲኹ፡ “ሕጂ ግን ሓበሬታ ትህብ\/ትቕበል፣ ግብረመልሲ ትህብ፡ ትጽሕፍ፡ ተሰጋግር፡. . . ንጡፍ ተሳታፊ ክትከውን ዕድል ኣሎ፡” ብምባል ነቲ ዝነበረ ድሩትነት ብመንጽር ዝተኸፍተ ዕድል የረድእ። ማሕበራዊ ሜድያ፡ ዓለም ዝቕይር ዘሎ መድረኽ እዩ ዝበለ እቲ ምሁር፡ እዚ ኸኣ ንመስርሕ ዲሞክራሲያውነት’ውን ከም ዝቐየሮን፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር መንግስታት ይዅን ዓበይቲ ትካላት ሓበሬታን ዝሕጸር ዝነበረ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት፡ ነቲ ውልቀሰብ ሂብዎ ወይ ናጻ ገይርዎ እዩ፡ ይብል። ዶ\/ር ዮናታን፡ “እቲ ኣገዳሲ ዛዕባ ግን ሕጂ ነዚ ናጽነት’ዚ ብኸመይ ንጥቀመሉ እዩ?” ክብል የቐምጥ። ኵልና ነናይ ገዛእ ርእስና ሓሳባት ክንገልጽ ምኽኣል ጽቡቕ’ኳ እንተዀነ፡ “ብሓባር ኣብ ዘገድሰና፡ ብፍላይ ፖለቲካውን ማሕበራውን ጉዳያት ግን ተሓታትነት ዘይምህላው ሓደገኛ ይገብሮ፡” ብምባል፡ እቲ ያታዊ መራኸቢ ሓፋሽ ደረት ስለዝገብር፡ ተሓታትነት ስለዘስዕብ ኣብዚ መዳይ ብልጫ ከም ዘለዎ የረድእ። እተን ዝጸንሓ ማዕከናት ዜና፡ “ዝዝርግሓኦ ሓበሬታ ብዅሉ ሸነኻት ተሓታትነት ስለዘስዕበለን፣ ሕጋዊ ገንዘባውን ብተቐባልነት’ውን ሃስያ ስለዝስዕበለን ዓቲበን ይሰርሓሉ እየን፡” ይብል። ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ግን፡ ሓደ ሰብ ኣብ ገዛኡ ኰይኑ፡ “ሓበሬታ” ሰሪሑ ክሰድድ እንከሎ፡ ብዛዕባ ዝኸስሮ ዝናን ካልእን ዘጨንቘ፡ ተሓታትነት ዘምጽኣሉ ነገር’ውን ዘይክህሉ፡ ወይ’ ውን ኣዝዩ ውሑድ ክኸውን ይኽእል’ዩ።” ሳዕቤን ናይዚ እንከረድእ ከኣ ዮናታን፡ “እዚ ንዘይሓላፍነታዊ ምዝርጋሕ ሓበሬታ ከተባብዕ ይርአ፣ ነቲ መድረኽ ብዅሉ መዳያቱ ዘይሓላፍነታዊ ትሕዝቶ ይጐብኦ’ሞ፡ እቲ ሓቀኛ - ጻዕሪ ዝተገብሮ፡ ሰባት ዝተመራመሩሉ፡ ምዙንን ርጕጽን ሓበሬታ እናሃለወ፡ እቲ ዝበዝሕ ተራ ሰብ ነየናይ ከምዘልዕል ስለዝጠፍኦ፣ ግዳይ ክኸውን ይርአ፡” ክብል ነቲ ሳዕቤናት የነጽር። ብዙሕ ዘይሞያዊ ሰብ ናብቲ መድረኽ ብማዕረ ክድይብ ዕድል ምርካቡ፡ ተጠቀምቲ ነዚ ዘይሓለፍነታዊ ሓበሬታ ክቃልዑ ምኽንያት ኰይኑ ምህላው’ውን ዮናታን የረድእ። “ዝሰልጠነ ሞያዊ ጋዜጠኛ፡ ዋላ ሓቀኛ ሓበሬታ ኣብ ኢዱ ሒዙ እናሃለወ’ውን፡ ሳዕቤን ናይቲ ሓበሬታ ክሓስብ ሞያኡ የገድዶ እዩ።” እቲ ዘይሞያዊ ተራ ሰብ ግን፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ተሓታትነት ዘይብሉ ምዃኑ፡ ሳዕቤን ናይቲ ዝዝርግሖ ጽሑፍ ይዅን ስእሊ\/ቪድዮ - እቲ ኮነ ኢሉ ብዕላማ ዝገብር ገዲፋካ - ብመንጽር ሞያውነት ዘይምፍላጥ’ውን ኣሎ። ስለዚ፡ ክጻረፍ፡ ድላዩ ክብል ዓሌታዊ ጐንጺ ከላዕል፡ ሰባት ከቃትል ዝኽእል ትሕዝቶ ካብ ምዝርጋሕ’ውን “ዝዓግቶ ሞያዊ ስነምግባር’ውን የለን፡” ይብል። ኵነታት ኢትዮጲያ ብኣብነት ዝጠቅስ ዶ\/ር ዮናታትን፡ ብተደጋጋሚ፡ ኣሰቃቒ ምስልታት ከም ዝርአ፡ ነዚ ግን እቲ ማሕበራዊ ሜድያ ከም ዘረሳስኖ ይገልጽ። “እዚታት ግን ኣብቲ ፍሉጥ ማዕከን ዜና ዝግባኦ ጥንቃቐ ይግበረሉ እዩ።” ይብል። እዚ ባህሪ ሰባት ጥራይ ዘይኰነ፡ ባህሪ ናይቲ ድሕሪ ኮምፒተር ኮፍ ኢልካ ዝግበር ዝርርባት’ውን እዩ፡ ይብል ዶ\/ር ዮናታን። “ሰባት ካብቲ ገጽ ንገጽ ንገብሮ ዝርርባት፡ ብኮምፒዩተር ወይ ብሞባይል ተሓቢእና ክንዘራረብ እንከለና ዝተፈላለየ ባህሪ እዩ ዘለና።” በዚ መረዳእታ’ዚ፡ እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ስምዒታዊ ኰይኑ ዝዛረብ ሰብ፡ ብኣካል ከምኡ ኣይኰነን፡ ማለት እዩ። ነዚ ብክልሰ ሓሳብ ሜድያ እንከረድእ፡ ዶ\/ር ዮናታን፡ እዚ “ኦንላይን ዲስኢንሂቢሽን ኢፈክት” ከም ዝበሃል የረድእ። ብመሰረት’ዚ መጽናዕቲ፡ ሰብ ኣብ ኦንላይን ክኣቱ እንከሎ “ኣይግታእን ወይ ፍኑው ይኸይድ፡” ማለት እዩ። ነዚ ካብ ዝድርኽ ረቛሒታት ሓደ ‘ኣናኒሚቲ’ ማለት፡ ሽም ዘይምህላው ማለት እዩ። እቲ መድረኽ ብዝህበካ ዕድል፡ ብዘይሽምካ ክትጽሕፍ፡ ክትዛረብ ትኽእል። ስለዚ ብዙሕ ሰብ ብናይ ሓሶት ሽም ይኣቱ’ሞ ዝመሰሎ ክፍኑ፣ ወይ ናይ ዘይምግታእ ናጽነት ክስምዖ ይኽእል። ስለዚ፡ “እቶም ተጻራሪ፡ ብጽልኢ፡ ብስምዒት ዝጽሕፉን ዝዛረቡን መብዛሕትኦም ተሓቢኦም ዝጽሕፉ እዮም።” ክብል ይገልጽ። ሽምካን ስእልኻን ዘይጥቃዕ እንተዀይኑ፡ ትስከፎ ሰብ፡ ትሓፍረሉ ማሕበረሰብ ስለዘየለ፡ እቲ ስክፍታን፡ እቲ ሰገጥ ምባል፡ እቲ ‘የኽፍኣለይ እዩ’ ዝብል ሕልናን ምስኡ ከም ዝጠፍእ ኣተሓሒዙ ይገልጽ። ተዛሚዱ፡ ‘ኢንቪዚብሊቲ’ [ስዋረ] ዝበሃል ከም ዘሎ የመልክት’ሞ፡ “ኣብ ኦንላይን ልክዕ ከምዚ ኣብ ጸልማት ተሓቢእካ ዘለኻ እዩ ዝስምዓካ፡” ብምባል እቲ ኣብ ተጠቅምቲ ዘሎ ንፍንውነት ዝደፍእ ስምዒት የረድእ። “ንሓደ ደራፋይ ንኣብነት፡ ደስ እንተዘይሉካ፡ ኣነዋሪ ጸርፊ ክትጸርፎ ድፍረት ክስምዓካ ይኽእል’ዩ፤ እቲ ዝጻረፍ ኣብ ኣእምሮኡ ተሓቢአ ኣለኹ ዝብል ስምዒት ስለዘለዎ፡ ልክዕ ከምቲ ተሓቢእካ ዝግበር\/ዝበሃል ድላይካ ትብል፡” ይብል። እቲ ሳልሳይ ረቛሒ፡ ‘ኣሲንክሮሲቲ’ [ ዘይቀጥታውነት] ዝበሃል እዩ። ዝበዝሕ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝግበር ዝርርባት ቀጥታዊ ኣይኰነን። ቀጥታዊ እንካን ሃባን፡ ከም ፊት ንፊት ዘለኻ ስምዒት ይህብ እዩ፣ ዘይቀጥታዊ ክኸውን እንከሎ ድማ ብኣንጻሩ። ስለዚ፡ “እዚ ዘይቀጥታውነት ድማ ሰባት ድላዮም ክጽሕፉን፣ ከምዚ ሰብ ከይረኣየካ ድርብይ ኣቢልካዮ ትኸይድ ዓይነት ስምዒት ዝፈጥር ኵነታት’ውን ኣለዎ።” እቲ ራብዓይ ነጥቢ፡ ‘ሶሊፕሲስቲክ ኢንተርጀክሽን’ [ባዕልነታዊ] ዝበሃል ምዃኑ ዮናታን ይጠቅስ። እዚ ዝያዳ ንጽሑፍ ዝምልከት ኰይኑ፡ ጽሑፍ፡ ዘይከም ድምጺ ወይ ቪድዮ፡ እንታይነት መልእኽቱ ብልክዕ ክትርድኦ ከም ዘጸገም ይዛረብ። “ንኣብነት ‘ጽቡቕ ስራሕ’ ኢሉ ሓደ እንተጽሒፉልካ፡ ድምጹን መግለጺታት ገጹን ስለዘይትርእዮ ‘ብልቡ ድዩ ወይስ ኣሽካዕላል’ዩ?’ ኢልካ ‘እንታይ ማለትካ ደኣሉ?’ ናብ ዝብል ነቲ ዝጐደለ ድምጽን ስምዒትን ኣብ ርእስኻ ሰሪሕካ ናብ ነገር ክትኣቱ፡ ይዕድም፡” ይብል። ምስዚ ዝኸይድ ‘ዲሶሲየቲቭ ኢማጅነሽን’ [ ነብስኻ ኣግሊልካ ባዕልኻ ሓደ ስእለ-ኣእምሮ ምፍጣር] እዩ። ብመሰረት መግለጺ ዶ\/ር ዮናታን፡ ኦንላይን ዝፈጥሮ፡ እቲ ኻልእ ሰብ እንታይ ይስምዖ ይኸውን ኢልካ ሰገጥ ዘይምባል ስምዒት ኣሎ። ብኣካል ትረአአ እንተለኻ እቲ ስምዒት’ውን ክረኣየካ ይኽእል’ዩ። ኣብ ኦንላይን ግን፡ “እቲ ስምዒት ክትግንዘቦስ ይትረፍ ሰባት ምዃኖም’ውን ክሳብ ትርስዖም ኢኻ ትኸውን፤ ነብስኻ ኣርሕቕ ኣቢልካ፡ ነገራት ኣቕሊልካ ክትርእዮም፡ ንሓንሳእ’ውን ጸወታ ክመስለካ ይኽእሎ’ሞ ቀይዲ በተኽ ትኸውን - እዚ እቲ ማሕበራዊ ሜድያ ዝፈጥሮ እዩ፡” ይብል። ምስኡ ተዛሚዱ እቲ ምርሕሓቕ’ውን ስለዘሎ፡ ኣብኡ ምስ ኣተኻ፣ ክሳዕ ካልእ መንነት ብኣእምሮኻ ትፈጥር፣ መን ኣበይ ከየርክበለይ ኢልካ ድፍረት ይስምዓካ፣ ድላይካ ትብል። እዚ ክበሃል እንከሎ ግን፡ “ኣብ ኢንተርነት ድላዩ ዝብልን ዝገብርን ፈጺሙ ብሕጊ ክሕተት ኣይክእልን’ዩ ማለት ኣይኰነን፡” ክብል ዮናታን የዘኻኽር። እቲ መስርሕ ግን ዝኸበደን ዝተሓላለኸን ምዃኑ የመልክት። ኣተሓሒዙ፡ እዚ ተርእዮ ማሕበራዊ ሜድያ ዳርጋ ኣብ ኵሉ ሕብረተሰባት ገኒኑ፣ ብፍሉይ ንሓደ ሕብረተሰብ ዝምልከት ጥራይ ኣይኰነን ይብል። ዶ\/ር ዮናታን ከም ዘረድኦ እቲ ቐንዲ ጸገም እቲ ባይታ ማሕበራዊ ሜድያ ዘለዎ ‘ቢዝነስ ሞደል’ እዩ። እቲ ዝህቡና ኣገልግሎት ናጻ ዘይኰነ “ኣቓልቦና” እንኸፍለሉ ኣገልግሎት እዩ፡ ይብል። እቲ ንግሆ ተንሲእካ ሞባይልካ ብምኽፋት ዝጅምር “ሃሰውስው ሓበሬታ” ናብ ገንዘብ ከም ዝቕየር ይገልጽ። እዚ ደኣ ከመይ ኢሉ እዩ ሰባት ናብ ቈይቂን ምትፍናን ክኸዱ ባይታ ዝጸርግ? ዝብል ሕቶ መሰረታዊ እዩ። “እዘን ትካላት ኣብ ከቢድ ውድድርን ህልኽን እየን ዝነብራ፡” ብምባል ዶ\/ር ዮናታን፡ እዘን ትካላት ሓደ ሰብ ነታ ኣብ መዓልቲ ዘጥፍኣ ሓንቲ ሰዓት ወይ ክልተ ወይ’ውን ልዕሊኡ፡ “ኣብቲ ናተን ፕላትፎርም ክሕሽሻ፡” እየን ዝሰርሓ፡ “እቲ ምስጢር ድማ ኣብዚ እዩ፡” ይብል። በዚ መሰረት፡ ትካል ሜታ ኣብተን ናቱ፡ ፈይስቡክ፡ ኢንስታግራም፡ ዋትስኣፕ ክትውዕል ይደሊ፤ ጐግል ከኣ ካብቲ ናቱ ዝዀነ ዩትዩብ፡ ክትወጽእ ኣይደልን። ስለዚ፡ “ንተጠቃሚ ብግቡእ የጽንዕዎ፣ ካብቲ ትርእዮን ሃሰስ ትብሎን እንታይ ዓይነት ሰብ ምዃንካ እቲ ኣልጎሪዝም የለልየካ፡” ይብል ዮናታን። ኣልጐሪዝም ዝያዳ ዘገድሶ ስምዒትካ እዩ፣ ‘ኢንጌጅመት’ ብዝብልዎ ረቛሒ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ከመይ ዝበለ ትሕዝቶ እዩ ዝጽመድ ይልለ። እዚ ድማ ካብቲ ትጽሕፎ ርእይቶ፡ ወይ ትህቦ ግብረመልሲ፡ ስምዒትካ ይልለ’ሞ እቲ ብስምዒት ትኣትዎ ትሕዝቶ ከም ዝቕረበልካ የረድእ። ብኣብነት እንከረድእ ዮናታን፡ ኣብ ፈይስቡክ ካብ ዘለው ኣዕሩኽትኻ ንኣብነት፡ ካብቲ ኵሉ ዝጥቃዕ፡ ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተመላለስካዮ ዝመሳሰል እዩ ኣብ ቅድሚት ዝቕረበልካ፡ ይብል። ኣልጐሪዝም ነቲ ንኣኻ ብስምዒት ዝጸምደካ ትሕዝቶታት እዩ ዝቕርብ፣ “ነፍስ ወከፍ ‘ምጥዋቕ’ ምዝጉብ እዩ። ዝሓለፈ ግዜ እንታይ ኣንቢብካ፣ እንታይ ቀው ኢልካ ወይ ግዜ ሂብካ ርኢኻ ስኑድ እዩ።” ኣብ ዝዀነ ወብሳይት ክንኣቱ እንከለና፡ “ኩኪስ” ንምዝግብ ኢና፣ ትሰማማዕ ዲኻ ኢሉ ዝመጽኣካ ሕቶ’ሎ። እቲ ኩኪስ እምበኣር ሓበሬታ ዝሕዝ ፋይላት ማለት እዩ። ምስዚ ተተሓሒዙ፡ ‘ኢኮቻምበር’፡ እንብሎ እቶም ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ዘለካ ዝእክብ ስርዓት ኣሎ። እዚ ኢኮቻምበር ድማ፡ ጕጅለታት ዝፈጥር፡ ኣብ ነናትካ ጸግዒ ሒዝካ ክትጻረፍን ንኻልኦት ከተጥቅዕን ዘዋድድ እዩ፡ ይብል። “ኣዕሩኽትኻ ዝጻረፉ እንተሃልዮም’ሞ፡ እቲ ትሕዝቶ ንዓኻ’ውን ከም ዘጻርፈካ ፈሊጡ ስለዘሎ፡ የምጽኣልካ. . . ብስምዒት ክትኣቱ ዘሎ ተኽእሎ ልዑል’ዩ።” ርኡይ ኣብነት ናይዚ ኣብ ኣሜሪካ ሕጂ እቶም ሕሉፋት የማናውያንን ጸጋማውያንን ተተጐጂሎም ዝገብርዎ ምጥቕቓዕ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ’ውን ይርአ'ዩ። ስለዚ፡ እቲ ናይ ሰባት ምትፍናን ኣብ ስምዒት ምእታው፡ ብኡ ኣቢልካ ድማ ተጸሚድካ ምውዓል ነተን ትካላት ረብሓ ስለዝዀነ ንዕኡ ዓቲበን ከም ዝሰርሓሉ፡ ዮናታን የነጽር። “ኣብ ሚያንማር፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓሌት ሮሂንግያ ዝዀኑ ኣስላም ዝወረደ ህልቂት፡ ፈይስቡክ መሪሕ ተራ ተጻዊቱ ተባሂሉ እዩ ዝኽሰስ ዘሎ፡” ብምባል ድማ ንሓደገኛነት ማሕበራዊ ሜድያ የቐመጥ። ኣብ ሚያንማር ኣንጻር ኣስላም ኣዝዩ መርዛም ዝዀነ ዘመተ ክጅመር እንከሎ፡ ፈይስቡክ ነቲ ዘመተ ክቈጻጸሮስ ይትረፍ መሊሱ ከም ዝጐልሕ ገይሩ፣ ነቲ፡ ‘እዚኦም ክጠፍኡ ኣለዎም፡ ክሕረዱ ኣለዎም፡’ ዝብል ሰባት ዘለዓዕል ዘረባታት ጽልኢ ኣብ ቅድሚት እናመጽአ ሰብ ኣወዲኡ እዩ፡ ይብል። “ኣብ ፈይስቡክ ኣንቢቦም፣ ካብኡ ወጺኦም ብቐጥታ ኣብ ኣባይቲ እቶም ሰላማውያን ሮሂንግያውያን ከይዶም ዝሓረድዎም፡ ዘቃጸልዎም፡ ብዙሕ ጉዳያት ተራእዩ እዩ፤ ኣመና ኣስካሕካሒ ተራ’ዩ ተጻዊቱ።” ኣብ ኢትዮጲያ’ውን፡ ኣብ ትግራይ ይዅን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ ክፍጸም እንከሎ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ተራእዩን፡ ነቲ ዘሎ ግጭት፡ ምትፍናን ምቅሕሓርን ህልኽን ኣብ ምግዳድ ተራ ከም ዘለዎ የረድእ። “እቲ ዝተገብረ ሕማቕ ተግባር ሓንሳእ ተገይሩ ኣብ ቦታኡ ተሓጺሩ ኣብ ክንዲ ዝተርፍ፡ ከም እንደገና ብማሕበራዊ ሜድያ ይቕጽል፣ ንኻልኦት መሊሱ ይበጽሕ፣ ስምዒት ይትንክፍ መሊሱ ነቲ ምትፍናን ከብእሶ ተራእዩ እዩ።” እዚ ዅሉ ክግበር ዝኽእል ዓቕሚ እዘን ብዝበለጹ ኢንጂነራት ዝሰርሓ ትካላት ግን፡ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ክቈጻጸራኦን ክገትኣኦን ቀሊል እዩ። እንተዀነ ንረብሓአን ስለዘይኰነ፡ ከምኡ ኣይገብራኦን፡ “ዝግደሳሉ’ውን ኣይመስለንን፡” ይብል። ብመሰረቱ እዘን ትካላት፡ ባዕላተን ዝሰርሓኦ ወይ ዘፍርያኦ ሓበሬታ የለን። ኵሉ ተጠቃሚ፡ ገሊኡ ጸሓፊ፡ ሰኣሊ፡ ደራፊ ኰይኑ እዩ ነቲ ጥርሑ ገዛ ዝመልኦ። “ኣብኡ እናወዓልና፡ ኣቓልቦና ብምሃብ ኢና ነገልግሎም፡ ዝተጋነነ መኽሰባት ከኣ ይግሕጡ። ስለዚ፡ ምእንቲ ሰላምን ርግኣትን ሕብረተሰባትን ዓለምን ሓላፍነት ክስምዖም ምተገብአ፡” ብምባል ዮናታን፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ፡ ዘቀራሕን ዘተፋንን ሰባት ዘዋድእ ኣዕናዊ ነገራት ብፍላይ እዘን ትካላት፡ “ሕልና” ክገብራ ይጽውዕ። ካብዚ [ኣልጐሪዝም] ወጻኢ ግን፡ እቲ ተጠቃሚ ብፍላይ መንእሰያት ባዕላቶም ዘፍርይዎ ዘለው፡ ኣብ ኵሉ መዳይ ቀይዲ በተኻዊ ዝዀነ ጽሑፋት፡ ዘረባታትን ተግባራትን ስእሊታትን ኣሰካፊ ምዃኑ ብሰፊሕ የዛርብ እዩ። ኣብዚ ነጥቢ’ዚ፡ እቲ ዘለናዮ ኵነታት ይጸልወና እዩ ኢሉ ከም ዝኣምን፡ ዮናታን ይዛረብ። ኣብዚ እዋን ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን ኢትዮጲያውያን ብርዱእ ምኽንያታት ኣብ ስደት ምስ ኵሉ ሕልኽላኻቱ ይነብሩ ብምህላዎም፡ ኣብቲ ዝርአ ቀይዲ በተኽነት ተራ ኣለዎ፡ ይብል። “እዚ ማሕበራዊ ሜድያ ኣብ ስደት ንዘሎ ተጠቃሚ እዩ። ብፍላይ ኣብ ኤርትራ ኢንተርነት’ውን ዳርጋ ስለዘየለ ካብዚ ወጻኢ እዩ፡” ኢሉ የቐምጥ። “ኣብ ደገ ምህላው፡ ካብ ወለድኻ፡ ዓበይቲ ኣሕዋትካ፡ ኣያታትካ፡ ብዓቢኡ ካብቲ ሕብረተሰብ ተፈሊኻ ምንባር፡ ክኣሊ፡ ክገንሕ ዓገብ ክብል ካብ ዝኽእል ወገንን ክብርታቱን ምርሓቕ ማለት እዩ፡” ብምባል፡ እዚ፡ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝግበር ዘይእርኑብን ጽዩፍን ተግባራት ኣስተዋጽኦ ከም ዘለዎ ይገልጾ። ኣብ ፖለቲካዊ፡ ባህላውን ሃይማኖታውን እምነትና ኣኽረርቲ ዘይምዃን፡ ናይ ካልኦት ሰባት ሓሳባት ምኽባርን ምቕባልን ኣገዳሲ ምዃኑ ዝጠቐሰ ዶ\/ር ዮናታን፡ እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ወጺእካ ዝግበር ንውሱናት ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሕብረተሰብን ሃገርን ስለዝጸሉ ንሳዕቤናቱ ሓላፍነት ክስምዓና ከም ዝግባእ የዘኻኽር። “እቲ ሎሚ ብስምዒት ተረሳሲንካ፡ ገሊኡ ድማ ዕድመኡ ደፊእዎ ዝብሎ፡ ዝጽሕፎን ዝገብሮን፡ ንናይ ሕጅን መጻእን ሂወቱ ዝጸሉ እዩ፡” ይብል። ብዙሓት፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብኡ ዝገበርዎ፡ ኣብ ግዜ እቲ ኵነታት ይዅን ኣተሓሳስባ ይቕየር’ሞ፡ ኣብኡ ተሓምሺሾም ዝተርፉ፣ ካብኡ ወጺኦም’ውን ሳዕቤኑ ምጻር ስኢኖም ሂወቶምን ናብራኦምን ዝተበላሸወ፣ ክሳብ ርእሰ ቅትለት ምፍጻም ዝበጽሑ መንእሰያት ምርኣይ ግኑን እዩ። ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ሓንሳእ ዝተፈነወ ክሕከኽ’ውን ስለዘጸግም፡ ፈቲና ጸሊእና መካየዲ ዝተረፈ ህይወትና ምዃኑ ተገንዚብና ደጋጊምና ክንሓስበሉ፣ ኣጠቓቕማና ከነመሓይሽን ከም ዝግባእ ዶ\/ር ዮናታን ጽገ ይመክር።","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1d3xn4g2vo"} {"headline":"ትዊተር፡ ንዓለም ዘዛርብ ዘሎ ኤሎን መስክ መን እዩ?","content":"ቀደም ዘመነ ቢል ገይትስ እይ ነይሩ፤ ሕጂ ግን ዘመነ ኤሎን መስክ ተቐይሩ እዩ። ኤሎን መስክ፡ ምድሪ ጸቢብዎ ናብ ሰማያት እዩ ዘማዕዱ ዘሎ። ምምዕዳው ጥራሕ ዘይኮነ ግን ኣብ ህዋ ክሰርሓ ዝኽእላ ታክሲ ፈጢሩ ኣሎ። ሓደ እዋን፡ ወዲ ሰብ ናብ ጠፈርን ካልኦት ፕላኔታትን ብምኻድ ኣብኡ ክነብር ከም ዝኽእል'ዩ ዝሓስብ። እዚ ሰብ እዚ እምበር'ዶ ብጥዕናኡ እዩ ከይንብል፡ ኵሉ እቲ ዝሓስቦ ከሳልጥ ዝጸንሐን እቲ ዝሓስቦ ከኣ ካብቲ ኣእምሮ ክግምቶ ዝኽእል ንላዕልን እዩ። እስከ ንስርሑን መንነቱን ንርአ። መስክ፡ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ነቲ ግዙፍ መተገባበሪ ትዊተር ክዕድጐ ውዑል ኣብ ምፍርራም ተጸሚዱ ኣሎ። እቲ ዕዳጋ ትዊተር ንገዛእ ርእሱ ኣደናቒ እዩ። ፈለማ ትሽዓተ ሚእታዊት ብርኪ ገዚኡ እዩ ተባሂሉ ነይሩ። ዳሕራይ ግን፡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ \"እዚ ትዊተር ድምጺ ሰባት ድምጺ ዝመሚ (ሳንሱር) ይገብር እዩ፡\" ተባሂሉ ተሓምየ። እሞ \"ገዚአ'ዶ ክቕይሮ\" ክብል ከኣ ሓጨጨ። ዓለም በቲ ዘቕረቦ ዳእላ ሰሓቓ ከይወደአት እንከላ ድማ ኣብ ሰሙኑ ንትዊተር ብ43 ቢልዮን ዶላር ክዕድጐ ከም ዝኾነ ተዘሪቡ። ኣብዚ ሰሙን'ዚ 'ምበኣር፡ ማዕከናት ዜና ዓለም \"መስክ፡ መስክ\" እናበላ ስሙ ዝደጋግማ ዘለዋ። ንሱ መስርሕ ዕድጊ ትዊተር ክሳብ ዝፍጽም ግን፡ ንዘመነ ቁልዕነቱን ዕብየቱን ንዳህስስ። ኤሎን አፍሪቃዊ ድዩ? መቸም፡ ብሓደ ጅግና ወይ ዕዉት ሰብ ዘይሻሞ የለን። ፑሽኪን ውላድና እዩ ክንብል እንከለና! የመናውያን እውን \"ንግስቲ ሳባ ናትና እያ\" ይብሉ። ኣፍሪቃውያን'ውን ብኤሎን መስክ ይሕበኑ ኣለው። መስክ ኣብታ ኔልሰን ማንዴላ (ማዲባ) ዝተወልደላ፡ ኣብ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ እዩ ተወሊዱ። ንኦሊቨር ታምቦ፡ ዴዝሞን ቱቱ፡ ኔልሰን ማንዴላ ዘፍረየት ምድሪ እያ ኣፍርያቶ። መስክ ኣብ ዘበነ ቝልዕነቱ ከመይ ነይሩ? መስክ ከም ሓደ ተራ ጻዕዳ ደቡብ ኣፍሪቃዊ እናነበረ እዩ ዕድመ ቁልዕነቱ ኣሕሊፍዎ። ርግጽ እዩ ኣብ ዓሰርተ ዓመቱ ምስ ኮምፒዩተር ፍቕሪ ሒዝዎ ነይሩ። ኣብ መበል 12 ዓመቱ ከኣ ንእሽቶ ገይም ኮምፒዩተር መሃዘ። ዳሕራይ ነታ ዝመሃዛ መተግበሪ ገይም ብ500 ዶላር ሸይጥዋ። ቅድሚኡ ከኣ ከምቶም ኣብ ገዛውቶም ጀላቶ ዝሸጡ ዝነበሩ ቘልዑ፡ ንሱ'ውን ምስ ሓው ገዛ ገዛ እናኸደ ችኮላት ይሸይጥ ነይሩ። ኣብ ቢዝነስ ዝኣተወሉ ግዜ ከኣ፡ ካብ ሽዑ ካብ እዋን ቁልዕነቱ ክኸውን ዝኽእል። ወለዱ ሃብታማት ዶ ነይሮም? ኣደኡ ጻዕዳ ካናዳዊት ሞዴል እያ። ወይዘሮ \"መይ\" ከኣ ትበሃል። ብእንግሊዝኛ ምናልባት \"ግንቦት\" ክትርጐም ይኽእል እዩ። ኣብ ጸዓዱ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ፡ \"ግንቦት፡ ሰነ\" ዝብሉ ኣስማት ልሙዳት እዮም። ንደቆም \"መይ፡ ጁን\" ኢሎም ዝጸውዑ ወለዲ ኣለው። ኣቦ ኤሎን ሓደ ካብቶም ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኰይኑ ስሙይ ነጋዳይ እዩ፤ ተራ ነጋዳይ ዘይኮነ በሊሕ ሓንጎል ዝነበሮ ፍሉይ ዝትዕድልቱ ነጋዳይ። ኣብቲ እዋን'ቲ ኣቦኡ ኤሮል መስክ ናይ ኤሌክትሮ መካኒካል መሃንዲስን መርከበኛን ነይሩ። መስክ ከም ዝብሎ ኣቦኡ፡ \"ሰፈር እኩይ ባህርያት እዩ ነይሩ።\" ብፍላይ ንወላዲቱ ንብዙሕ ስቓይ ኣቃሊዑዋ እዩ። ኣቦኡን ኣደኡን ክፈላለዩ እንከለው ንእሽቶ ሓውን ሓፍቱን ምስ ኣደኦም ከይዶም፣ ንሱ ግን በዅሪ ስለዝዀነ ናብ ኣቦኡ ዘንቢሉ፣ ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ብውሳነኡ ተጣዕሰ። \"ነ'ቦይ ብኽፋእ ዝወዳደሮ የሎን፣ ኣእምሮኡ ኣዝዩ ሓያልን መሃንድስ ክፍኣትንእ ዩ ነይሩ፡\" ይብል። ኤሎን ምስ ኣቦኡ ጽቡቕ ግዜ ኣየሕለፈን። ወዲ 17 ዓመት ምስ ኮነ ናብ ኣደኡ ናብ ካናዳ ከይዱ። ኣቦኡ፡ \"ኣብ ሰለስተ ወርሕኻ ተኸላቢትካ ክትመጽእ ኢኻ። ወይ ከኣ ከምኡ ኢልካ ባኺንካ ክትተርፍ ኢኻ፡\" ኢሉዎ ነይሩ። ኤሎን መስክ ኣብ ካናዳ ኲንስ ዩኒቨርስቲ ትምህርቱ ቀጸለ። ብድሕሪኡ ንኣሜሪካ ኣተወ። ካብ ካናዳ ከኣ ብዝውውር ናብ ፔንሲልቬንያ ዩኒቨርስቲ ተሳጊሩ። ኣብኡ ድማ ብፊዚክስን ቢዝነስን ክልተ ዲግሪ ዓተረ። ኤሎን መስክ ነዘን ክልተ ዓውደ ትምህርቲ ብዘደንቕ ብቕዓት እዩ ዝጥቀመለን። በቲ ናይ ፊዚክስ ፍልጠቱ ናይ ፈጠራ ዕብየቱ የርኢ፣ በቲ ናይ ቢዝነስ ትምህርቱ ከኣ ይነግድ፡ ይብልጽግን ይዓብን። ኤሎን መስክ ልክዕ ነቲ ዲግሪታቱ እዩ ዝመስል። ካብቶም ንትምህርቶም ብብቕዓት ዝጥቀምሉ ብሉጻት ምሁራት ከኣ ሓደ እዩ። ወዲ 24 ኣቢሉ ምስ ኮነ ናብ ካሊፎርኒያ ከደ። ሓደ እዋን ኣብ ስታንፎርድ ዩኒቨርስቲ ብፊዚክስ ፒኤችዲ ክገብር ተመዝገበ። ዳሕራይ ግን እንታይ ከም ዘጋጠሞ ኣይፍለጥን፣ ቀልጢፉ ኣቛሪጽዎ። ካብኡ ንደሓር ናብ ዩኒቨርሰቲ ኣይተመልሰን። ኤሎን መስክ ተመርዕዩ'ዶ? እወ፤ ብተደጋጋሚ እኳ ደኣ! ናይ መጀመርያ በዓልቲ ቤቱ ጀስቲን መስክ፡ ደራሲት እያ። ኣብ ኮሌጅ እዮም ተራኺቦምን ተቐራሪቦምን። \"መስክ ዝሓሰቦ ከይፈጸመ ዘይድቅስ፡ ፈጺሙ ኢዱ ዘይህብ ሰብ እዩ፡\" ኢላ ትገልጾ። \"ኵሉ ሳዕ ጸብለል ክብል እዩ ዝደሊ፡\" ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ዕለት መርዓኦም ናብ እዝና ጽግዕ ኢሉ ሕሹኽ ዝበላ ኣይትርስዖን እያ። \"ኣብዚ ሓዳር እዚ እቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ ኣነ እየ፡\" ኢሉዋ። ኤሎን መስክ ግን እቲ ዝውንንኖ ቢልዮናት ካበይ ዝመጸ እዩ? ኤሎን መስክ ልክዕ ከምቲ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኣቦኡ ኣዝዩ ሃብታም እዩ። ካብ ዕደና ክሳብ ምህናጽ ኣባይቲ (ሪል እስተይት) ዘይኣተዎ ዓይነት ንግድ የለን። እንተዀነ እዚ ዅሉ ሃብቱ ካብቲ ዓውድታት ዝተረኽበ ምዃኑ ዝኾነ መረጋገጺ የለን። እኳ ደኣ ካብ ዩኒቨርሲቲ ስታንፎርድ መጽናዕቲ ፒኤችዲ ገዲፉ ምስ ወጽአ ክልተ ነገር ክገብር ፈቲኑ ነይሩ። እቲ ሓደ፡ ኣብ ኮምፒዩተር መተግበሪ 'ሶፍትዌር' ዝሰርሕ ንእሽቶ ትካል ምምስራት እዩ። እቲ ካልኣይ ከኣ ብኢንተርነት ኣገልግሎት ባንክ ዝህብ ኩባንያ እዩ ነይሩ። ቅድሚኡ ግን ምስ ሓው \"ዚፕ-2\" ዝበሃል ንጋዜጣ ናብ ዲጂታዊ ጽሑፍ ዝቕይር ሶፍትዌር ሰሪሖም ነይሮም። ድሕሪ ብዙሕ ፈተነ ትካላቱ ሸይጡዎ። ብድሕሪኡ ከኣ ካልእ ክልተ ትካላት ንግዲ ፈተነ። ካብተን ክልተ እታ ሓንቲ ዕውትቲ ኮይና። እዚ ከኣ እቲ ብኢንተርነት ኣገልግሎት ባንክ ኣገልግሎት ዝህብ ዳሕራይ ፐይፓል (PayPal) ተባሂሉ ዝተፈልጠ ኣገልግሎት ክፍሊት ዝህብ እዩ። ብዙሕ ሰብ፡ ፐይፓል ብኤሎን መስክ ከም ዝተማህዘ ኣይፈልጥን እዩ። እቲ ርቡሕ እቶት ዝረኸበሉ ትካል ንሱ እዩ። ዳሕራይ ነቲ ትካል ብ1.5 ቢሊዮን ዶላር ናብ \"ኢበይ\" ሸይጥዎ። ነቲ ገንዘብ እቲ ሒዙ ከኣ ካልእ ነገር ክገብር ካብ ምድሪ ናብ ህዋ ክቋምት ጀሚሩ። ናሳ ናብ ህዋ ኣብ ዝግበሮ ጕዕዞ ብዙሕ ገንዘብ ከምዘውጽእ ተገንዚቡ፣ ሓንሳብ ዝበረረት መንኮርኮር ከኣ ዳግማይ ኣገልግሎት ከምዘይትህብ ተረዲኡ። እዚ ነገር ንሓሳብ \"ስፔስ ኤክስ\" ወሊዱ። \"ስፔስ ኤክስ\" ናብ ህዋ ኣብጺሓ እትመልስ ታክሲ ሰሪሑ። ወጻኢታትን ነዳድን ዝቝጥባ መካይን'ውን ክስርሓ ኣለወን ዝብል ሓሳብ ኣበጊሱ'ውን ንቴስላ ፈጢሩ። \"ንነብሱ ዘዕቢ ቢሊየነር\" ብ2015 አሽሊ ቫንስ ዝተባህለ ሰብ መጽሓፍ ጸሓፈ። እቲ መጽሓፍ ኣብ ኤሎን መስክ ዘተኮረ ነበረ፡፡ ድሕሪ ብዙሕ መጽናዕቲ እቲ ደራሲ ንኤሎን መስክ ብሰለስተ ሓረግ፣ \"ገታር ተኻታዒ፡ ኵሉ እፈልጥ እየ በሃሊ፡ ብዛዕባ ነብሱ ዝተጋነነ ኣረኣእያ ዘለዎ፡\" ክብል ገሊጽዎ። እቲ ደራሲ፡ ኤሎን መስክ መትሓዚ ዘይብሉ ሳዕሳዓይ ምዃኑ'ውን ኣሚቱ። ብዛዕባ እተን ሰለስተ ሓረጋት ኤሎን መስክ፣ 'ገታር ተማጓታይ' ምዃኑ፡ 'ኣነ እፈልጥ' ምባሉን ሕሉፍ ኵርዓት ምህላውን ብዙሓት ሰባት ዝሰማምዑሉ ጉዳይ እዩ። ገሊኡ ጕዕዞ ህይወቱ'ውን ነዚ ክውንነት ዝምስከር እዩ። ንኣብነት ሰለስተ ሳዕ ተመርዕዩ ተፋቲሑ። ምስታ ሓንቲ ክልተ ሳዕ ተመርዕዩን ተፋቲሑን። መስክ ክዛረብ እንከሎ ንጽባሕ ኣይብል እዩ። ኣብ ትዊተር ንዓለም ዘናውጽን ጫቚ-ጫቝ ዘብልን ሓሳባት ይዝርግሕ። ምስ ማሪዋና ዘለዎ ፍቕሪ ሓቢእዎ ኣይፈልጥን። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ቴድ-ቶክ ዝገበሮ ኣነቓቓሒ ዘረባ ንሱ እውን ኣሚኑ ተቐቢልዎ እዩ። \"ሓጢኣተይ ክትጽብጽቡ እንተጀሚርኩም ኣብ ምድሪ ከማይ ክፉእ ሰብ ኣይክትረኽቡን ኢኹም። ነቲ ጽቡቕ ተግባረይ ክትጽብጽቡ እንተጀሚርኩም ግን ንዅሉ ሓጢኣተይ ክትሓድጉለይ ኢኹም፡\" ኢሉ ነይሩ። ክንደይ ዝኣክል ሃብቲ ኸ ኣለዎ? ፎርብስን ብሉምበርግን ነገር እንጀራ ኮይኑዎም ሃብቲ ርኹባት እናጸብጸቡ ደረጃ ሃብታማትን ገንዘቦምን እዮም ዝቘጽሩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኸኣ እዮም ኤሎን መስክ ናይ ዓለም ሃብታም ሰብ እዩ ክብሉ ዝኣወጁ። እቲ ዝጭበጥን ዘይጭበጥን ውጹእ ሃብቱ 250 ቢሊዮን ዶላር በጺሑ ኣሎ። ነቲ ንዓመታት ቁጽሪ ሓደ ዝነበረ ወናኒ ኣማዞን ጄፍ ቤዞስ ብብዙሕ ሚልዮናት ሓሊፍዎ'ሎ። መብዛሕትኡ ሃብቲ ኤሎን መስክ ካብቲ ዘይተጸበዮ ናይ ቴስላ ናይ ብርኪ ብጽሒት ዝመጽአ እዩ። ንሱ ኣብ ኩባንያ ቴስላ 17 ሚእታዊት ብጽሒት ኣለዎ። ኤሎንን ፍኑው ሓሳባቱን ብዙሕ ሰብ ብዛዕባ ኤሎን መስክ ክሓስብ እንከሎ፡ ቴስላና ስፔስ ኤክስ እዮም ናብ አእምሮኡ ዝመጽኡ። ኤሎን ግን ብዙሕ ናይ ጽሉላት ዝመስል ፍኑው ሓሳባት ጀሚሩ ኣሎ። ካብቲ ብዙሕ ሓሳባቱ ሓደ፡ ብዛዕባ ጸሓያዊት ከተማ (ሶላር ሲቲ) እውን ሓሲቡ ኣሎ። ኵሉ ዘድልየና ጸዓት ካብ ጸሓይ ክንረኽቦ ኣሎና ኢሉ ተዓጢቑ ኣሎ። ዲጋታት፡ ኑክሊየር፡ ጋዝ ኣየድልን'ዩ በሃላይ እዩ። ሓደ ከተማ ዘድልዮ ኵሉ ጸዓት ካብ ጸሓይ ከምዝረኽቦ ገይርና ክንሓስብን ክንሰርሕን ኣሎና ኢሉ እዩ ዝኣምን። ካብ ፍርጅ ክሳብ ኩከር፡ ካብ መሞቚ ሻወር ክሳብ ንዓበይቲ ፋብሪካታት ከንቀሳቕስ ዝኽእል ጸዓት ካብ ጸሓይ ክንረክብ ንኽእል ኢና በሃላይ እዩ። ክገብሮ ኣይክእልን እዩ ኣይበሃልን እዩ፣ ካልእ ዝሓልሞም ኩባንያታት እውን ኣለውዎ። ኣብ ዲጂታዊ ዕዳጋ ክሪፕቶ ካረንሲን ቢትኮይንን እውን ቀስ ብቐስ ኢዱ የእቱ ኣሎ። ኮምፒዩተራት ንወዲ ሰብ ክበልጽኦ ከምዝኽእላ እዩ ዝግምት። ሓደ ቦሪንግ ዛህጋን ዝበሃል ኩባንያ እውን ኣለዎ። ናይዚ ኩባንያ ስራሕ በዓትታት ምዅዓት እዩ። ንኤሎን መስክ ካብ ዘበሳጭውዎ ነገራት ሓደ ጽቕጥቅጥ ትራፊክ እዩ። ወዲ ሰብ ሓደው ከም አዕዋፍ ብሰማይ ክበርር ኣለዎ ሓደው ከኣ ትሕቲ መሬት ብዝኳዓት መትረብ ከም ማይ ክፈስስ ኣለዎ በሃላይ እዩ። እቲ \"ቦሪንግ' ዛህጋን ዝተሰምየ ኩባንያ ከኣ ንዕኡ ከሳልጥ ዝተመስረተ እዩ። ደቂ ሰብ፡ ዝዀነ መብራህቲ ትራፊክ መብራህቲ ( ሰማፎረ) ከየሰናኸሎም \"ሉፕ\" ብዝበሃል ማግነታዊ ቴክኖሎጂ ልክዕ ከም ፈሳሲ ማይ ክጓዓዓዙ ኣለዎም ይብል። ምኽንያቱ ኣብ ከተማታት ብዝሒ ህዝቢ ይውስኽ ኣሎ፤ ብቕጥራን ምጕዕዓዝ ዓቕልኻ እዩ ዘጽብብ። ከምኡ ጥራሕ ዘይኮነ ከኣ ፍጹም ድሕረት እዩ። ኵሉ ዓይነት መጓዓዝያ ናብ መትረብ ትሕቲ መሬት ክኣቱ ኣለዎ፡ ይብል። ነዚ ሓሳብ ኣብ ላስቬጋስ ይፍትኖ ኣሎ። እተን ኣብ መትረብ ትሕቲ መሬት ዝንቀሳቐሳ ታክሲታት ኣብ ሰዓት 600 ማይል ክጓዓዛ እየን። እዚ ማለት ከኣ ኣብ ሰዓት ኣስታት 900 ኪሎ ሜተር ማለት እዩ፣ ልክዕ ከም ምብራር ዓይነት እዩ። ከምዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምሳሕ በሊዕካ ናብ ኣስመራ ማክያቶ ክትሰቲ ከም ምኻድ ዓይነት እዩ። ኤሎን መስክ ናይ መን ደጋፊ እዩ? እዚ ሕቶ እዚ ንትዊተር ክገዝእ ከም ዝደሊ ምስ ገለጸ እዩ ክሕተት ጀሚሩ። ድምጺ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይዅን ኵነታት ክዕፈን የብሉን ዝብል እምነት ኣለዎ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዩክረይን ኢንተርነት ብሳተላይት የቕርብ ኣሎ። ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ኤርትራውያን'ውን ኣብ ኤርትራ ተመሳሳሊ ነገር ክገብር ተማሕጺኖሞ ነይሮም። ኤሎን መስክ ኣብ 2002 እዩ ኣሜሪካዊ ዜጋ ኮይኑ። ብዙሓት ሰባት ፍርቁ ጐድኑ ዲሞክራት፡ ፍርቂ ከኣ ሪፐብሊካን እናበሉ እዮም ዝጽውዑዎ። ንሱ ግን፡ 'ኣነ ነጻን ገለልተኛን እየ' እዩ ዝብል። ምስ መንግስቲ ብምግጫው ከኣ ይፍለጥ። ንስርዓተ ቀረጽ ናይቲ ግዝኣት ብምቅዋም'ዩ ንትካሉ ካብ ካሊፎርኒያ ናብ ቴክሳስ ኣግዒዙዎ። ምስ ሰራሕተኛታትን ማሕበራትን ኣብ ግጭት ኣትዩ ነይሩ። ዕጽዋ ኮሮና ቫይረስን ገደባትን'ውን ኣበሳጭይዎ ነይሩ። ነቲ ዕጽዋ ፋሺሽታዊ ኢሉ ክሳብ ምጽዋዕ በጺሑ ነይሩ። ኤሎን መስክ ዶናልድ ትራምፕ ካብ ውዕል ኵነታት ኣየር ፓሪስ ክወጽእ እንከሎ ቁጠዐኡ ዘስመዐን ኣዝዩ ዝነቐፎን ሰብ እዩ ነይሩ። እንተዀነ፡ ምስ ጆ ባይደን'ውን ኣይሰማማዕን እዩ። ንሰልፍታት ፖለቲካ ዝህቦ ገንዘብ ምስ ሃብቱ ዝኸይድ ኣይኮነን። ቅድሚ ሕጂ ንኦባማን ሂላሪን ብገንዘብ ደጊፉዎም ነይሩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ግን ንሪፓብሊካን እዩ ዝልግስ ዘሎ። ብምግባረ ሰናይ'ውን ብዙሕ ስሙ ኣይለዓልን እዩ። ንሱ ግን ናተይ ትካላት ቢዝነስ ንባዕለን ገበርቲ ሰናይ እየን ክብል እዩ ዝማጐት። ከምኡ ዝብለሉ ምኽንያት ብዙሓት ካብ ትካላቱ ተተካኢ ጸዓት ዝጥቀምን ብከላ ኣየር ዝቕንስን ስለዝዀነ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንቢልዮነራት ጻውዒት ኣቕሪቡ ነይሩ። ዝኸበርኩም ቢልዮነራት፡ በጃኹም ኣብ 43 ሃገራት ዝርከቡ 40 ሚልዮን ጥሙያት ሓንሳብን ንሓዋሩን ደግፉዎም ክብል ተማሕጺኑ። ድሕሪ እቲ ምሕጽንታ ንኤሎን መስክ ዝቐደሞ ኣይነበረን፣ እንተዀነ ብገንዘብ ዘይኮነስ ብዘረባ - ብሓሳብ እዩ። \"ከምቲ እትብሉዎ፡ ጥሜት ካብ ዓለም ንምጥፋእ 6 ቢሊዮን ዶላር እንተዀይኑ፡ ውጥንኩም ሒዝኩም ምጽኡ እሞ ኣእምኑኒ። ኣነ እቲ ኣብ ቴስላ ዘሎኒ ብርኪ ሸይጠ 6 ቢሊዮን ዶላር ክህበኩም፡\"ኢሉ። ጥሜትን መከራን ዓለም ብዝኸፍአ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ። ካብ ኤሎን መስክ ከኣ ገና ዝተሰምዐ ነገር የለን።","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61268140"} {"headline":"ሰራዊት ሚያንማር ንኣርባዕተ ነጠፍቲ ብሞት ቀፂዑ","content":"ሰራዊት ሚያንማር ንዲሞክራሲ ዝሕለቑ  ሓደ ኣባል ባይቶ ነበር ዝርከቦም ኣርባዕተ ነጠፍቲ ከምዝረሸነ ተገሊፁ። እዚ ናይ ሞት ቅፅዓት ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ንፈለማ እዋን ዝተፈፀመ እዩ ተባሂሉ። ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ጉዳይ እዞም ነጠፍቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዕፁው መጋባእያ ምብያኑ፡ ኢ-ፍትሓውን ግልፅነት ዝጎደሎን እዩ ብምባል ተማጕቶም ነይሮም። በዓል ሞያ ሕጊ ፍዮ ዜያ ታው፣ ፀሓፊ ኮ ጂሚ፣ ህላ ምዮን ኣንግ ቱራ ዛውን ዝተብሃሉ ተሓለቕቲ ዲሞክራሲ፡ “ገበን ራዕዲ ፈፂምኩም” ብዝብል እዮም ተኸሲሶም ነይሮም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እታ ሃገር፡ እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ተግባራዊ ከምዝኸውን ምስ ኣፍለጠ፡ ኣዘራራቢ ዓለም ኮይኑ ነይሩ። ወተሃደራዊ ምምሕዳር ሚያንማር፡ ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት 2021 ኣብ ልዕሊ መራሒት እታ ሃገር ኣንግ ሳን ሱቺ ዕልዋ መንግስቲ ብምክያድ እዩ ስልጣን ሒዙ። ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብታ ሃገር ዝተልዓለ ሰፊሕ ተቓውሞ፡ በቲ ወተሃደራዊ ክንፊ ተገቲኡ። ነቲ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ስዒቡ ዝተጣየሸ ፓለቲካዊ ውድብ፡ ነዚ ቅፅዓት ሞት ከምዝቃወም ኣፍሊጡ። እቲ ውድብ ተሓለቕቲ ዲሞክራሲ፣ ናይ ዝተፈላለዩ ብሄራት መራሕቲ ቃልሲ ከምኡ እውን ቅድሚ ሕዚ ኣባላት ገዛኢ ውድብ ዝነበሩ ዝሓቖፈ እዩ። ልሳን መንግስቲ ዝኾነ ቴሌቬዥን፡ ኣርባዕቲኦም ሰባት፡ “ኣንፈት ብምሃብ፣ ምስ ካልኦት ብምትሕብባር ጨካን ግብረ ራዕዳዊ መጥቃዕቲ ንምፍፃም ተሊሞም ነይሮም” ብምባል፡ ብሞት ከምዝተቐፅዑ ፀብፂቡ። እቲ ተሌቬዥን ኣርባዕቲኦም ነጠፍቲ ብመሰረት ሕጊ ፀረ-ራዕዲ ብሞት ከምዝተቐፅዑ እኳ እተፀብፀበ፡ ዝተቐተልሉ ቦታ ካብ ምግላፅ ግና ተቖጢቡ። ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሚያንማር ንመወዳእታ ግዘ ብ1988 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን እዩ ናይ ሞት ፍርዲ ተፈፂሙ። ቅድሚ ሕዚ ሚያንማር፡ ናይ ሞት ቅፅዓት ብማሕነቕቲ እያ ተግባራዊ ትገብር ነይራ። ስድራ ግዳያት፡ ኣብ መእተዊ እቶም ዝተቐተሉ ስድርኦም ተኣሲሮምሉ ኣብ ዝነበርሉ ቤት ማእሰርቲ ደው ኢሎም ይፅበዩ ከምዘለዉ ተገሊፁ። ካብ ስድራ እቶም ግዳያት ንነጣፊ ፍዮ በዓል እንድኡ፡ ሰብኣያ ብሞት ከምዝቕፃዕ ከምዘይተነገራ ሓቢራ። ወዲ 41 ዓመት ፍዮ፡ ኣባል ገዛኢ ውድብ ኤንኤልዲን ፈታዊ ሳን ሱቺን እዩ ነይሩ። ናብ መድረኽ ፖለቲካ ቅድሚ ምፅንባሩ ናይ ሂፕሆፕ ድምፃዊ ዝነበረ ፍዮ፡ ብግጥምታቱ ፀረ ወተሃደራዊ መልእኽትታት ብምትሕልላፍ ይፍለጥ። ወዲ 53 ዓመት ኮ ጂሚ ድማ  ናይ ሓደ ንዲሞክራሲ ዝሕለቕ ምንቅስቓስ ኣባል እንትኾን፡ ንወተሃደራዊ ስርዓት ሚያንማር ብምቅዋም ይፍለጥ። ብዛዕባ እቶም ዝተረፉ ክልተ ግዳያት ብዝርዝር ዝፍለጥ ነገር የለን። ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ፡ ነቲ ቅፅዓት ሞት “ብህይወት ናይ ምንባር መሰል፣ ነፃነትን ደሕንነት ውልቀሰብን ዝገሃሰ” ክብል ኮኒንዎ። እቲ ወተሃደራዊ ክንፊ፡  ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ሓይልታትን ተቓወምቲ ውድባትን ዝወስዶ ስጉምቲ ኣጠናኺሩ ቀፂልሉ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ እታ መራሒት ሚያንማር ዝነበረት ኣንግ ሳን ሱቺ ዝቐረበ ክሲ ብመሰረት ሕጊ እታ ሃገር ክሳብ 150 ዓመት ማእሰርቲ ከቕፅዕ ዝኽእል እዩ። ኣብታ ሃገር ዕልዋ መንግስቲ ካብ ዝካየድ ንነዘ፡ 14 ሽሕን 847 ሰባት ከምዝተኣሰሩን 2114 ሰባት ከምዝተቐተሉን  ይግለፅ።","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c19mme8z7jxo"} {"headline":"ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቻይና፡ ‘ሕሳር’ ተባሂለን ዝቐርባ ዘለዋ ኢትዮጵያውያን","content":"ኣብ ቻይና ኣዝዮም ፍሉጣት ዝዀኑ፡ ‘ዶይን’ ከምኡ’ውን ‘ኩኣይሻ’ ዝተባህሉ፡ ሓጸርቲ ቪድዮታት ዝዝርግሑሎም ማሕበራዊ ሚዲያታት፡ መዓልታዊ ሚሊዮናት ይጥቀሙሎም። ዶይንን ኩኣይሻን፡ ልክዕ ከም ንቲክቶክ ንቻይናውያን ጥራይ ተባሂሎም ዝተሰርሑ መተግበሪታት ኰይኖም፡ ብሓደ ኩባኒያ ይመሓደሩ። እዚኦም ካብ ቻይና ወጻእ ዝነብሩ ዜጋታት እታ ሃገር’ውን ይጥቀሙሎም’ዮም። ዜግነት ቻይና ዘለዎም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ውልቀሰባት ድማ፡ ምስ ኢትዮጵያውያን ደቂ ኣንስትዮ ኰይኖም ኣብዞም ማሕበራዊ መራኸቢታት ክቀላቐሉ ልሙድ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። ቢቢሲ፡ በዞም ኣብ ቻይና ልሙዳት ዝዀኑ መተግበሪታት ብቐጥታ ዝተዘርግሑ ቪድዮታት ኣብ ካልኦት ማሕበራዊ ሚዲያታት ተለጢፎም ተዓዚቡ። ኣብዞም ቪድዮታት፡ ቻይናውያን ውልቀሰባት ምስ ኢትዮጵያውያን ደቂ ኣንስትዮ ብምዃን ብቛንቋ ማንደሪን ዝተፈላለዩ ቃላት ደጊመን ክብላኦም ብምግባር፡ ንሶም ድማ መብርሂ ብምሃብን ሓሓሊፉ ኣካላተን ክተናኽፉወንን ይርኣዩ። ኣብዞም ቪድዮታት፡ ብቛንቋ ማንደሪን ዝበሃሉ ነገራት ኣብ ቤይጂን ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቢቢሲ ተርጒሙዎም ኣሎ። ኣብዚ፡ ሓንቲ ሮዛ ሕብሩ ስረን ጻዕዳ ማልያን ዝገበረት ጓል ኣንስተይቲ ብድሕረኣ እናተቐድሐት ትርአ። ነቲ ምስሊ ዝቐድሕ ውልቀሰብ ድማ ማእገራ እናተናኸፈ ሓደ ግዜ ደው ኢላ ገጻ ንኽትርአ፣ ጸኒሓ ድማ ክትከይድ እናገበረ ብቛንቋ ማንደሪን መብርሂ ይህብ። እታ ኢትዮጵያዊት ኣብ እትጕዓዘሉ መንገዲ፡ ኣብ ጥቓኣ ድኳናት ንግዲ፡ ሰባትን ምንቅስቓስ መጓዓዝያን ይርአ። ትርጕም እቲ ቋንቋ ማንደሪን ከምዚ ይብል፥ “ርኣዩዋ! ሰለስተ ሽሕ ኣር.ኤም.ቢ [መተዓዳደጊ ገንዘብ ቻይና] ከተውጽእ እያ። ንቻይናውያን ዝምጥን መልክዕ ኣለዋ። እቲ ለበዳ ኣብዚ ብዙሕ ዘጨንቕ ኣይኰነን። ሃይሻይንግ ንዝደልዩ ኵሎም!”። [ሃይሻይንግ፡ ንዝብል ቃል ቢቢሲ በይጂን ትኽክለኛ ትርጕሙ’ኳ እንተዘይረኸቦ፡ ካብ ትሕዝቶ እቲ ምስሊ ንምርዳእ ብዝተገብረ ጻዕሪ ግን ካብ ወጻእተኛ ክወልዱ ንዝደልዩ ዝብል ትርጕም ክህልዎ ይኽእል።] እዚ ቪድዮ ብቐጥታ እዩ ተፈንዩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ገዛ፡ ሓደ ቻይናዊ ውልቀሰብ መጀመርታ ምስ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኢድ ንኢድ ተጣሚሮም ኣብ ፊት ካሜራ ይርኣዩ። ድሕሪኡ፡ ብቛንቋ ማንደሪን እወ ወይ ኣይፋል ዝብል መልሲ ክትህቦ ይገብር። ድሓር ናብቲ ካሜራ እናርኣየ መብርሂ ይህብ። ቀጺሉ፡ ካልእ ጓል ኣንስተይቲ ኣምጺኡ ኢዱ ምስ ኢዳ ኣጣሚሩ ንዝሓታ ሕቶታት ርእሳ ብምንቕናቕ መልሲ ክትህቦ ይርአ። ደሓር ንኽልቲአን ሓቚፉ መብርሂ ይህብ። እቲ ብቛንቋ ቻይና ዝቐረበ ሕቶን መልስን ነዚ ዝስዕብ ይመስል። ቻይናዊ፡ ገዛ ትደልዪ’ዶ? ኢትዮጵያዊት፡ ኣይደልን! ቻይናዊ፡ ብሓቂ? ኢትዮጵያዊት፡ እወ! ቻይናዊ፡ ገንዘብ ኣይትደልን? ኢትዮጵያዊት፡ ኣይደልን። ቻይናዊ፡ ርግጸኛ ዲኺ? ኢትዮጵያዊት፡ እወ ንሱ፡ ናብቲ ካሜራ እናጠመተ መብርሂ ይህብ። “እዚኣ ኣፍሪቃዊት እያ፤ ድሑራት ኣብ ዝዀኑ ሕብረተሰብ፡ ኣፍቃሪትካ ብከብቲ ክትቅይራ ትኽእል። ኣብዚ ዘመናዊ ዓለም፡ መኪና፡ ገዛ፡ ንመርዓት ምግዛም ኣየድልን። \"ብዙሓት ቻይናውያን ኣሕሉቕ፡ ኣብዚ ሓዳር መስሪቶም ቈልዓ ይወልዱ ኣለው። እቶም ዝውለዱ ቈልዑ ቈርበቶም ከማይ ጻዕዳ’ዩ። ክዓብዩ ከለው ግን ቅሩብ ጽልም ይብሉ’ዮም።” ነታ ካልእ ኢትዮጵያዊት ኣብ ቅድሚ ካሜራ ብምምጻእ ተመሳሳሊ ሕቶታት እናሓተታ መልሲ ክትህቦ ይርአ። [ገጹ ናብ ተመልከትቲ ብምምላስ] ነዚ ዝፈተዋ ሰብ ኣሎ’ዶ? እዚኣ ቍጽሪ ሓደ’ያ። [ብኢዱ እናመልከተ] እዚኣ ድማ ቍጽሪ ክልተ። ቍጽሪ ሓደ እትደልዩ፡ ሓደ ኢልኩም ጽሓፉ፤ ክልተ ዝደለኹም ድማ ክልተ ኢልኩም ጽሓፉ። “ነዚአን ዝደሊ ሰብ ኣሎ? መኪና፡ ገዛን ገንዘብን ኣይደልያን'የን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ቻይና መጻምዲ ንምርካብ ኣማኢት ኣሽሓት ኢኻ ትሕተት። መኪና፡ ገንዘብን ገዝምን ተወሲኹዎ ኸኣ ክሳብ ሓደ ሚሊዮን ይበጽሕ፡” ይብል። ብተወሳኺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክንድኡ ዝኣክል ወጻኢ ከም ዘይሓትትን ብዘይ ዝዀነ መመላኽዒ ተፈጥሮኣዊ መልክዕ ከም ዘለወንን ኣካላተን እናተናኸፈ የረድእ። ኣብቲ ቀጥታዊ ፈነወ ንዝቐርቡ ሕቶታት ድማ መብርህን ምላሽን ይህብ። እተን ኣብዚ ቪድዮ ዝርኣያ ኢትዮጵያውያን ግን፡ ብወለንታአን ድዩ ተገዲደን ዝብል ቢቢሲ ከረጋግጽ ኣይከኣለን። እዚ ቪድዮ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ብቐጥታ ዝመሓላለፍ ዘሎ ምዃኑ ይጠቅስ። ኣብዚ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ቅድሚ 'ቲ ምስሊ ብቐጥታ ዝፍኑ ዘሎ ቻይናዊ ኰይና፡ ብቛንቋ ማንደሪን ዝብላ ክትደግሞ ትርአ። ብድሕረኣ ደው ዝበላ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ድማ፡ ኣብቲ እዚ ቪድዮ ዝተቐድሓሉ ቀጽሪ ይርኣያ። ንሳ እቲ ዝበላ እናደገመት፣ መሊሱ ድማ ናብተን ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ እናጠመተ መብርሂ ይህብ። ዕድመ፡ ቁመት፡ ክብደት፡ ስራሕን ናብ ቻይና ክኸዳ ይደልያ’ዶ ዝብልን እናሓተተ እቲ ዝህባኦ መልሲ ብቛንቋ ቻይና ይትርጕሞ። ድሕሪኡ፡ ካብቶም ነዚ ብቐጥታ ዝከታተሉ ዘለው ሰባት ሽሞም እናጸውዐ፡ ዝደለይዋ፡ ጓል ኣንስተይቲ ምርካብ ከም ዝኽእሉ ይዛረብ። በዚ፡ እቲ ውልቀሰብ ሰባት ኣብ ምርኻብ ዝተዋፈረ ምዃኑ ምርዳእ ይከኣል። ኣብዚ ዶይን ዝተባህለ ማሕበራዊ ሚዲያ፡ ዝዀነ መልእኽቲ ብቐጥታ ምስ ተመሓላለፈ ተመሊስካ ክትረኽቦ ኣይትኽእልን። ስለ ዝዀነ ድማ፡ እዞም ቪድዮታት ኣብ ዶይን ኣይርከቡን። ቢቢሲ እዞም ምስልታት ካብቲ ቀጥታዊ ፈነወ ተቐዲሖም ኣብ ካልእ ማሕበራዊ ሚዲያ ምስ ተዘርግሑ’ዩ ረኺብዎም። ኣብታ ሃገር፡ በዞም ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዝርግሑ ምስልታት ኢትዮጵያውያን ደቂ ኣንስትዮ ክብረን ብዝገፍፍ መልክዑ ከም ዝቐርባ፡ ኣብ ቻይና ዝነብሩ ግን ድማ ሽሞም ክጥቀስ ዘይደልዩ ኢትዮጵያውያን ይዛረቡ። እቲ ቋንቋ ከም እትርድኦ እትዛረብ ሓንቲ ኢትዮጵያዊት፡ ኣብቶም ማሕበራዊ ሚዲያታት “[ኢትዮጵያውያን] ቅርጺ ኣካላተን ርኣይዎ እናበሉ ታይት ኣኽዲኖም ባህ ዘይብል ነገር እዮም ዘርእዩ፡” ትብል። “ከም ሓንቲ ኢትዮጵያዊትን ማንደሪን እትኽእልን ጓል ኣንስተይቲ ነዚ ምርኣይ የሕዝነኒ’ዩ፡” ብምባል ርእይቶኣ ንቢቢሲ ዝሃበት ነባሪት ቻይና ዝዀነት ካልእ ኢትዮጵያዊት ድማ፡ በቶም ዝርኣዩ ነገራት ከም እትጕሂ ገሊጻ። ንሳ ከም እትብሎ፡ እተን ኣብቶም ቪድዮታት ዝርኣያ ደቂ ኣንስትዮ፡ እቲ ቋንቋ ይርድአን እዩ ዝብል እምነት ከም ዘይብላ ብምግላጽ፡ ካብቲ ዝዛረብዎ ንላዕሊ እቲ ተግባሮም ንኽብርኻ ዝትንክፍ እዩ ትብል። “መብዛሕትኡ ግዜ ምሕኵልተንን ውልቃዊ ኣካላተንን እናተናኸፉ’ዮም ዘርእይዎ። ገገሊኦም ይሽቅጡሉ’ዮም። ናብ ኢትዮጵያ መጺእኩም ጽቡቓት ደቂ ኣንስትዮ ከነራኽበኩም ኢና ይብሉ። የሕርቐካ’ዩ!” ኢላ። ብፍላይ፡ ክዳን ኣብ ዘይዝውተረሎም ከባቢታት ኢትዮጵያ ብዝነብሩ ዜጋታት፡ ክብሪ ብዝነክእ መገዲ ቪድዮታት ከም ዝሰርሑ እተን ወሃብቲ ርእይቶ ጠቒሰን። “ናብ ሃመር ከይዶም ዝሰርሑዎ ሓደ ኣዝዩ ዘሕርቕ ቪድዮ ኣሎ። ኣነ ንባህሊ እቶም ህዝቢ ይፈትዎ’የ፤ ንሳቶም ግን መርኣያ ድሕረት ገይሮም’ዮም ኣቕሪቦምዎ። እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣጥቧተን፣ ናይቶም ደቂ ተባዕትዮ ድማ ብልዕቶም የርእዩ ነይሮም፡” ብምባል ገሊጻ። ቲክቶክን ዶይንን ዘመሓድር ባይትዳንስ ዝተባህለ ትካል፡ ኣብ ዓለም ዝለዓለ መኽሰብ ኣለዎም ካብ ዝብሃሉ ኩባኒያታት እዩ። እቲ ኩባኒያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት [2021] 58 ቢሊዮን ዶላር መኽሰብ ረኺቡ ነይሩ። ብተመሳሳሊ ኩኣይሻ ዝተባህለ ኣብ ቻይና ዝፍቶ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣብዚ ዓመት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ሰለስተ ቢሊዮን ዶላር ከም ዝኸሰበ ኣፍሊጡ እዩ። እዞም ማሕበራዊ ሚዲያታት ዘመሓድሩ ኩባኒያታት እምበኣር፡ ብቐጥታ ንዝፍነውን ኣብቲ ድሕረ ገጻት ንዝጽዓኑን ቪድዮታት ገንዘብ ይኸፍሉ’ዮም። ካብኡ ሓሊፉ ብፍላይ ዶይን፡ ቪድዮ ንዝሰርሑ ሰባት ሞቕሽሽ ዝህበሉ ኣሰራርሓ ኣለዎ። “ኣብ ኢትዮጵያ ኰይኖም ነዞም ቪድዮታት ዝሰርሑ ቻይናውያን ብዙሕ ርኣይቲ ኣብ ዝረኽቡሉ ስለ ዝኽፈሎም፡ ብዙሕ ቅቡልነት ዘይብሎም ነገራት’ዮም ዝገብሩ። እዚ ድማ መንነት፡ ሕብሪ ቈርበት፡ ጾታን ሃገርን ግቡእ ብዘይኰነ መገዲ ብምቕራብ ጥቕሚ ክረኽቡ ይጽዕሩ፡” ከም ዘለው ዘርኢ’ዩ ክትብል እታ ሽማ ክግለጽ ዘይደለየት ወሃቢት ርእይቶ ተዛሪባ። እዚ ኵነታት ዘተሓሳሰቦም ኣብ ቻይና ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን፡ እቲ ጉዳይ ኣብ በይጂን ንዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ክፈልጦ ከም ዝገበሩ ይዛረቡ። ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋ ግን፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ሓበሬታ ከም ዘይብሉ ብምግላጽ፡ እቲ ኤምባሲ ከጻርዮ ምዃኑ ሓቢሩ። ብተመሳሳሊ ካብ ቲክቶክ መብርሂ ንምርካብ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ምላሽ ኣይረኸበን።","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c725jj02pr8o"} {"headline":"ትዊተር ናይ ተጠቀምቱ መረዳእታ ኣሕሊፉ ሸይጡ ብዝብል ኣብ ኣሜሪካ 150 ሚልዮን ዶላት ተቐፂዑ","content":"ትዊተር ንሕጊ ብምጥሓስ ሓበሬታ ተጠቀምቱ ንትካላት ምውዕዋዕ ኣሕሊፉ ክብሉ ዝኸሰሱ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣሜሪካ፡ 150 ሚልዮን ዶላር ቅጽዓት ክኸፍል ኣለዎ ኢሎም። ኮሚሽን ንግዲ ፈደራልን [Federal Trade Commission (FTC)] ክፍሊ ፍትሕን ኣሜሪካ ከምዝበልዎ፡ ትዊተር ንዝተሰማምዓሎም መምርሒታት ከምዝጠሓሰ ሰነዳት ቤት ፍርዲ ኣረጋጊጾም። ትዊተር፡ ከም ቍጽሪ ስልኪ፡ ኣድራሻ ኢመይል ዝኣመሰሉ ውልቃዊ ሓበሬታታት ዓማዊሉ ኣሕሊፊ ከምዘይህብ ቃል ኣትዩ ነይሩ። እንተዀነ እቲ ዓቢይ ኩባንያ ማሕበራዊ መራኸቢ ነቶም ዝተሰማምዓሎም መምርሒታት ከምጠሓሰ፡ ኣባላት ምርመራ ፈደራል ይገልፁ። እቲ ኩባንያ ኣብ 2020 ኣብ ኣውሮጳ ንሕግታት ምስጢራውነት ዓማዊሉ ብምጥሓሱ፡ 400 ሽሕ ፓውንድ ተቐጺዑ ምንባሩ ይዝከር። ኮሚሽን ንግዲ ፈደራል ዘይመንግስታዊ ትካል ኰይኑ፡ ዕላማኡ ድማ ጥሕሰታት ሕጊ ከይፍፀሙ ምክትታል እዩ። ትዊትር ዝበዝሕ ኣታዊኡ ካብቶም ኣብ መድረኽ ማሕበራዊ መራኸቢኡ ዝፍነው መወዓውዒታት'ዩ ዝረክብ። ክፍሊ ፍትሒ ንኮሚሽን ንግዲ ፈደራል ብምውካል ዘቕረቦ ጥርዓን ከምዘመልክቶ፡ ትዊተር ካብ 2013 ጀሚሩ ተጠቀምቱ ቍጽሪ ስልኮም ወይ ኢመይሎም ከቕርቡ ይሓትት'ዩ። ነዚ ዝገብረሉ ምኽንያት ድማ ንውሕስነት ኣካውንት ዓማዊሉ ከምዝዀነ እዩ ዝገልጽ። \"እዚ ግን ንእቶት ትዊተር ኣደንፊዑ፤ ንልዕሊ 140 ሚልዮን ተጠቀምቲ ትዊተር ዝጸለወ ኰይኑ'ሎ፡\" ይብል ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ። ማኔጂንግ ዳይረክተር 'ሰኪዩር ቲም' ናይ ዝተባህለ ትካል ድሕነት ኮምፒተር እያን ሬይኖልድስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ \"ትዊተር ምእንቲ ረብሕኡን ምድንፋዕ እቶቱን ክብል ውልቃዊ ሓበሬታ ብምጥቃም ንእምነት ዓመዊሉ ዳግም ጥሒሱ'ሎ፡\" ኢሉ። እቲ ኩባንያ ንዓማዊሉ፡ \"ምእንቲ ውሕስነት ኣካውንትኹም\" ብዝብል፡ ውልቃዊ መረዳእታ እናወሰደ ንትካላት ምውዕዋዕ ኣሕሊፉ ይህብ ከምዘሎ ድማ ወሲኹ ገሊጹ። \"እዚ ኵነታት ዘርእየና ነገር እንተሎ፡ ኩባንያታት ኣብ ውልቀ-ሓበሬታ ክሳብ ክንደይ ዓቕሚ ከምዘለዎም'ዩ\" ይብል እያን። ትዊተር ሓቀኛነት ወይ ልክዕነት ዓማዊሉ ንምርግጋፅ ቍጽር ስልኪ ወይ ኢመይል ከቕርቡ ከምዝሓትት ይፍለጥ። እዚ ከኣ ሰባት መሕለፊ ቃል ክቕይሩ ወይ ዝተዓጸወ ኣካውንቶም ንምኽፋት'ውን ይጥቀምሉ። እንተዀነ ትዊተር ብውሑዱ ክሳብ መስከረም 2019 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ነቶም ሓበሬታታት ንናይ ምውዕዋዕ ዕዳጋኡ ከምዝተጠቕመሎም ኮሚሽን ንግዲ ፈደራል ይሕብር።","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61623789"} {"headline":"ቦርድ ትዊተር ንምንታይ'ዩ ኢሎን መስክ ነቲ ትካል ክዕድጎ ዘይደልይ?","content":"ሃብታም ዓለምና ኢሎን መስክ ንትዊተር ብ 43 ቢልዮን ዶላር ንምዝግዛእ ጠለብ ምቕራቡ ስዒቡ፡ ቦርድ እቲ ትካል ኣንጻር ‘ተጻባኢ’ ዝበሎ ዋንነት ምንቅስቓስ ጀሚሩ ኣሎ፡፡ እቲ ቦርድ ንሓጺር እዋን ዝጸንሕ ናይ ብጽሒት መሰል ወይ ‘ፖይዘን ፒል’ ዕላዊ ዝገበረ ኮይኑ ዝኾነ ሰብ ኣብቲ ትካል ካብ 15 ምኢታዊት ብርኪ ንላዕሊ ከይህልዎ ዝገብር እዩ፡፡ ካልኦት ሰባት ብሕሳር ተወሰኽቲ ብጽሒታት ክገዝኡ ብምፍቃድ እዩ ነቲ ትልሚ ክፍጽሞ ደልዩ ዘሎ፡፡ ቦርድ ትዊተር ነዚ ትልሚ ዕላዊ ኣብ ዝገበረሉ፡ ዕላማ እቲ ውሳነ ኣንጻር እቲ ኢሎን መስክ ‘‘ትዊተር ንምውናን ዘቕረቦ ዘይተደለየን ቀያዳይ ዘይኮነን ውጥን’’ ከምዝኾነ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ፡፡ ኣብ ንግዲ ‘‘ተጻባኢ ዋንነት’’ ዝበሃል፡ ሓደ ትካል ኣንጻር ድልየት ኣመራርሓ እቲ ትካል (ንኣብነት ኣብ ትዊተር፡ ፈጻሚት ቦርድ) ክገዝኦ እንትፍትን እዩ፡፡ 'ፖይዘን ፒል' ኣንጻር ተጻባኢ ዋንነት ዝካየድ ናይ መወዳእታ መከላኸሊ ከምዝኾነ ዝገልጽ በዓል ሞያ ፋይናንስ ጆሽ ዋይት ‘‘ኑክለራዊ መማረጺ ኢልና ኢና እንጽወዖ’’ ይብል፡፡ ዋይት ከምዝብሎ እቲ ቦርድ፡ ኢሎን መስክ ንትዊተር ንምግዛእ ዘቕረቦ መጠን ገንዘብ እኹል እዩ ኢሉ ኣይኣምንን፡፡ እቲ ሃብታም ተወሳኺ ገንዘብ ንምቕራብ ድልየት ብዘይምርኣዩ ድማ እቲ ቦርድ ነቲ ሓድሽ ትልሚ ከውጽእ ተገዲዱ፡፡ ዋና ፈጻሚ ፓራግ ኣግራዋል እውን እቲ ትካል በቲ ዝቐረበ ገንዘብ ከምዘይቅየድ ተዛሪቡ ነይሩ፡፡ መስክ ኣብ ቫንኮቨር ኣብ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ ቲኢዲ2022 ‘‘ክገዝኦ ምዃነይ ርግጸኛ ኣይኮንኩን’’ ክብል ዝተዛረበ ኮይኑ ካልእ ኣማራጺ (ፕላን ቢ) ከምዘለዎ ተዛሪቡ፡፡ እንተኾነ እቲ ካልእ ኣማራጺ እንታይ ከምዝኾነ ኣይጠቐሰን፡፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ኢሎን መስክ 9.2 ምኢታዊት ብጽሒት እቲ ትካል ከምዝገዘኦ ኣፍሊጡ ነይሩ፡፡ ወናኒ ዝለዓለ ብጽሒት ግን ኣይኮነን፡፡ ቫንጋርድ ግሩፕ ዝተባህለ ኣብ ምሕደራ ሃብቲ ዝተዋፈረ ትካል 10.3 ምኢታዊት እቲ ትካል ከምዝውንን ዕላዊ ገይሩ ኣሎ፡፡ መስራቲ ትዊተር ጃክ ዶርሰይ ብኣንጻሩ 2.25 ምኢታዊት ናይቲ ትካል ጥራሕ እዩ ዝውንን፡፡ መስክ፡ ትዊተር ሓሳብካ ብነጻ ናይ ምግላጽ መሰል ይድርት እዩ ኢሉ ከምዝኣምን ብተደጋጋሚ ክገልጽ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብቲ ናይ ቫንኮቨር ዋዕላ እውን ደጊምዎ እዩ፡፡ ቀንዲ ድልየቱ ድማ ሕገመንግስታዊ መሰል ኣመሪካ ዝኾነ ሓሳብ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል ኣብ ትዊተር ንምስፋሕ ከምዝኾነ ይገልጽ፡፡ መኪና ዘፍሪ ብመስክ ዝውነን ኩባንያ ተስላ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዋግኡ ልዕሊ 1 ትሪልዮን ዶላር ዝበጸሐ ኮይኑ፡ ካብ ኩባንያታት ኣፕል፣ ማይክሮሶፍት፣ ኣማዞንን ጉግል-ኣልፋቤትን ቀጺሉ ናብቲ ደረጃ ዝበጸሐ መበል ሓምሻይ ኩባንያ ኮይኑ ይርከብ፡፡ ንተጠቀምቲ ትዊተር፡ 10 ምኢታዊት ብጽሒት ናይቲ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ዘፍሪ ኩባንያ ‘‘ክሸጦዶ ወይስ ኣይፋል’’ ኢሉ ድሕሪ ምሕታቱ ድማ ልዕሊ 3.5 ሚልዮን ተጠቀምቲ እቲ ማሕበራዊ ሚድያ ድምጺ ሂቦም ነይሮም፡፡ ካብኣቶም እቶም 58 ምኢታዊት መሸጣ ብምድጋፍ ብምድማጾም፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣስታት 5 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ብጽሒት ሸይጡ፡፡","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61133861"} {"headline":"ማሕበራዊ ሚዲያ፡ ሚስጥራዊ ዓለማዊ ኑዛዜ ኦንላይን","content":"ደቂ ሰባት፡ ንህይወት ክብ . . . ለጠቕ ዘብሉ ማሕበራዊ ጉዳያት ኣብ ዝበዝሖ ዓለም ከም እንነብር ፍጡራት፡ መዓንጣና ሕርር . . . ብትኽ እናበሉና ውሽጥና ጸይሩዎም ዝነብር ብዙሓት ነገራት ኣለው። ብዝኾነ ኣጋጣሚ ኣብ ህይወትና ዝተፈጥረ ነገር ድማ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ሚስጢር ገይርና ኢና ንሕዞ። ሓደ መዓልቲ፡ ነዚ ኣብ ውሽጥና ዝዓቖርናዮ ነገር ሓንሳብ ኣውጽእ ኣቢልካ ክንገላገሎ እንከለና ግን፡ ንፍስ እንዶ ይብለና የለን? ግን ክኣ ሓሓሊፉ ከም ብዋዛ ምስጢርካ ንኻልኦት ምክፋል ቀሊል ኣይኮነን። ስለ ምንታይ'ዩ ብፍርሒ፣ ሕንከትን ሰባት ኣበር ከየውጽኡለይ ካብ ዝብል ስግኣት ብዝነቅል ስምዒት ከይብሉንን፡ ኣዕᎁቕና ዝቐበርናዮ ነገር ንምውጻእ ንጽገም? ሓሓሊፉ ክኣ ናይ ውልቅኻ ሓበሬታ ንብዙሓት ሰባት ምዝራብ ሳዕቤን ከምጽእ ትርእዮ እሞ፡ ሚስጢረይ ሒዘ ዘይቕበርከ ትብል። ግን ክኣ፡ ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ኮሎምቢያ ከም ዝብሉዎ ሚስጢር ሒዝካ ንብሕትኻ ምቑዛም ከም \"ድኻም፣ ማሕበራዊ ተነጽሎን ጥዕናዊ ሳዕቤናትን\" ዝኣመሰሉ ጸገማት ከስዕብ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ንባዕልና ኮነ ንኻልኦት ከይጎዳእና ብኸመይ ንፈትሖ? ኣብዚ እዋን ማሕበራዊ ሚዲያ ሓደ ነዚ ኣብ ምፍታሕ ናይ ባዕሉ ተራ ዝጻወት ዘሎ ይመስል። ሰባት ንዘመናት: ኣባት ነፍሲ ናብ ዝብሉዎም መራሕቲ ሃይማኖት ብምኻድ ጽድቆምን ሓጢኣቶምን ክንስሁ ጸኒሖም። ኣብ ቀረባ ዓመታት ክኣ ዝተፈላለዩ ናይ ቴሌቪዥንን ሬድዮን ምድላዋት 'ሽመይ ንዓኹም፤ ታሪኸይ ግን እዚ'ዩ' ናይ ዝብሉ ሰባት ብቴለፎን ዝቐረበ ታሪኽ ክንሰምዕ ጸኒሕና። ከምዚኦም ዝበሉ ምድላዋት፡ ብዙሓት ሰባት ንብሕቶም ዝሓዙዎምን ዘቐንዙውዎምን ሚስጥራት ንከካፍሉ ብኡ ኣቢሎም ድማ ካብ ካልኦት ሰባት ብዝረኽቡዎ ሓሳብን ርኢይቶን ክሕገዙ በሪ ከፊቶም'ዮም። ብ1980፡ ሓደ ስነ ጥበባዊ ሰባት ንዝኾነ ዘጣዕሶም ነገር ይቕሬታ ዝሓቱሉ ናይ ይቕሬታ መስመር ፈጢሩ ነይሩ። እዚ ኣብ ኒውዮርክ ን15 ዓመታት ክጸንሕ እንከሎ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብቲ መቐበሊ መሽን መንነቶም ኣብ ሓደጋ ከየውደቑ ወይ ከየቃልዑ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ንዝፈጸሙዎ በደል \"ይቕሬታ\" ዝሓትሉ መልእኽቲ ይገድፉ ነይሮም። እዚኦም፡ ሕጂ ኣብ ፖድካስት እናቐረቡ ካልኦት'ውን ንክንስሑ ወይ ንክናዘዙ ሸውሃቶም ይኸፍቱሎም ኣለው። ማሕበራዊ ሚዲያ፡ ካልእ ብዛዕባ ውልቃዊ ህይወት ዝተፈላለዩ ሰባት እንሰምዓሉ ዘለና መድረኽ ኮይኑ፡ መብዛሕትኦም ተጠቀምቲ ግን ፍጹምነት ዝተመልኦን ብጥንቃቐ ዘዳለውዎምን ስእልን ካልእን ክጥቅዑሎም ይርኣይ። ብኻልእ ወገን፡ ነቲ ዝተሓብአ ስምዒታቶም ብስመ ስውር ኣቢሎም ካብ ብዙሕ ንኣዝዩ ውሑድ ክፋል ህይወቶም ብቕንዕና ዘካፍሉሎም ናይ ኦንላይን ናይ ንስሓ ወይ ኑዛዜ ገጻት ብምህላዎም ተጠቀምቲ 'ሽመይ ንዓኹም' እናበሉ ሚስጢራቶም የካፍሉ ኣለው። \"እዚ ሰባት ካብ ካልኦት ዝምሃርሉን ከይተሰከፉ ሚስጢሮም ንምክፋል ዓብዪ ዕድል ዝረኸብሉን ውሑስ ቦታ ክኸውን ይኽእል'ዩ\" ትብል ክኢላ ስነ ልቦና ዛህራ ካማል ኣላም። ቅድም ኢሉ፡ ኣብ ኦንላይን ዝዳለው ፎረማትን ናይ ወግዒ መድረኻትን'ዮም ንኸምዚኦም ዝበሉ ትሕዝቶታት ዘምጽኡ ነይሮም። ድሕሪኡ ግን ኣብ ዝተፈላለዩ መተግበሪታት ክርኣዩ ጀሚሮም። ካብ ቀረባ ግዜያት ንነጀው ድማ፡ ማሕበራዊ ሚዲያ ነዞም ትሕዝቶታት ይምንዝዖምን ብሰፊሑ የምጽኦምን ኣሎ። እዞም ታሪኻት፡ ካብ ዘስሕቕ ክሳብ ኣዝዩ ዘሕዝን ተባሂሎም ዝምዘኑ ኮይኖም፡ ኣብ ቤት ትምህርትን ዩኒቨርስትን ኣትሒዞም ዝጅምሩ ናይ ነዊሕ ግዜ ታሪኽ ዘለዎም ሰባት ውሽጦም ዝዓቖሮ ይዝሕዝሑሉ ኣሎም ኣለው። \"ሰባት ሓገዝ ንዝህቡ ጉጅለታት ዝረኽቡ እንተኾይኖም ብሚስጢር እንተካፈሉ ዓብዪ ዕድል'ዩ፤ ካብቲ ብኸም ናቶም ዝበለ ተመሳሳሊ ኩነታት ዝሓልፍ ዘሎ ሰብ ድማ ይመሃሩ\" ትብል ኣብ ኢስላማባድ ፓኪስታን እትቕመጥ ክኢላ ስነ ልቦና ዛህራ ካማል ኣላም። \"እዚ፡ ብፍላይ ሕብረተሰብ ነውሪ ኢሉ ዝወስዶም ናይ ጾታ፣ ጎነጽንን ጾታዊ ዓመጽን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ብግልጺ ንክውግዓሎም ይሕግዝ'ዩ\" ኢላ። ስነ ልቦናዊ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎትን ኣብ ዝወሃበሎም ቦታታት ከይድኻ ብዛዕባ ትሓልፎ ዘለኻ ነገር ምዝራብ ምኽኣል ናይ ሕውየት መገዲ እዩ ትብል፤ ስለዚ ሰባት ሚስጥሮም ኣብ ኢንተርነት ምክፋሎም ክሕድሸና ከም ዘይብሉ ትዛረብ። 'ፌስሆል' ሓደ ኣብነት ሚስጢራዊ ናይ ትዊተር ናይ ንስሓ ገጻት እዩ። ብድሕሪ 'Fesshole' ዘሎ ድማ ተቐማጢ ኢንግሊዝ ሮብ ማኑኤል እዩ። ንሱ፡ \"ኣብ ሕሉፍ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ነገር ኣብ ኦንላይን ኣውጺእኻዮ ምኻድ ሳዕቤን ኣይነበሮን። ሓለቓኻ ወይ ቤተሰብኻ ስለ ዘየንብቡዎ ድማ፡ ሸኽምካ ንምቅላል ውሑስ ቦታ እዩ፤ ማሕበራዊ ሚዲያ ልክዕ ከም ናይ ፍሩታ መሽን እዩ። ኣብኡ ብእተእትዎ ነገር ጥቕሚ ዘይብሎም ኣሽሓት 'ላይክ' ትረክብ፤ ብኣንጻሩ ድማ ስራሕኻ ክትስእን ትኽእል\" ይብል። እዚ ገጽ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ዝጀመረ ኮይኑ፡ ሕጂ ልዕሊ 400 ሽሕ ሰዓብቲ ኣለውዎ። ሮብ፡ መዓልታዊ ብስመ ስውር ካብ ዝልኣኹሉ ኣማኢት ኑዛዜታት 16 መሪጹ ይልጥፎም። \"ከም ኤዲተር እየ ዝሰርሕ ዘለኹ፤ ሓቂ ዘይመስሉ ወይ ሓበራዊ ስምምዕ ዘይብሎም ኣይልጥፍን። ገለ ዘየተባብዑ ነገራት ይመጽኡ እዮም፤ ነዚኦም ክሕትም ኣይደልን\" ኢሉ። ገለ ካብቶም ናብ ሮብ ዝመጽኡ ንስሓታት፡ \"ዝሓለፈ ዓመት ኣቦይ ምስ ሞተ ኣደይ ብጣዕሚ ሓዚና ነይራ። ሓደ ግዜ፡ ናይ ኣቦይ ዝነበሩ ኣቑሑ እናፈተሽኩ ፓስፖርቱ ረኺበ። በዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ኦንላይን ፍቕራዊ ምሕዝነት ዝፍጠረሎም መተግበሪታት፡ ካልእ ሰብ ከም ዝነበሮ ፈሊጠ። እዚ ንኣደይ ልባ ክሰብራ ስለ ዝኽእል ግን ኣይነገርኩዋን\" ዝብል ይርከቦም። ሮብ፡ እቲ ድረ ገጽ እናዋዛየ ግን ስምዒት ደቂ ሰባት ዝትንክፉ መልእኽታት ከም ዝልጥፈሉ ይዛረብ። ካልኦት ከም The Secret Keepers ዝበሉ ገጻት ኢንስተግራም ድማ ኣዝዩ ዕምቆት ዘለዎም ውልቃዊ ታሪኻት የምጽኡ። \"ብዙሕ ፍልልይ ኣብ ዘይብሉ ዓለም ስለ እንነብር፡ ብዛዕባ ውልቃዊ ጉዳያትካ ምስ ቤተሰብን መሓዙትን ክተውግዖ ክኸብድ ይኽእል'ዩ። ብዛዕባ ሓደ ነገር ተነቃፊ ስምዒት እንተሓዲሩካ ከኣ፡ ኣግሂድካ ክትዛረቦ ይኸብደካ እዩ፤ መንነትካ ሓቢእካ ኣብ ኢንተርነት እትገብሮ ግን ውሑስን ብዓይኒ ካልኦት ካብ ምፍራድን ከድሕነካን ይኽእል'ዩ\" ትብል ሓንቲ ካብ መስረትቲ እዚ ገጽ ዝኾነት ኦሊቪያ ፒተር። ወሲኻ \"ነዚ እዩ ሰባት ናብ ሰብ ሞያ ስነ ልቦና ክንኸይድ እንከለና ንመሓዙትና ነጊርካዮም ዘይንፈልጥ ኩሉ ንነግሮም\" ኢላ። እዚ ገጽ፡ ኣብ ዙርያ ኑዛዜ ሓደ ሰብ ኣመልኪቱ ንዝግበሩ ልዝባት ክፉት ናይ ዝርርብ መድረኽን ሓገዝን ኣመቻቺኡ ኣሎ። ኣብዚ ኣዶነት ካብ ዘጣዕሰን ደቂ ኣንሰትዮ ጀሚሩ ክሳብ መጻምዶም ዝፈትዉዎ እንተኸነ'ውን ብጾታዊ ርክብ ከም ዘይጠዓዓሙ ዝገልጹ ሰባት ይመጽኡ። እዚ መተግበሪ፡ ክኢላታት ስነ ልቦና ዘለዎ ስለ ዝኾነ ነቶም ሚስጥሮም ዘካፍሉ ሰባት ምኽሪ ይህቡ'ዮም። \"ሚስጥር ምክፋል ሰባት ብሕታውነት ንከይስምዖም፡ ተነጺሎም እናሃለው እውን ውህደት ዝፈጠሩ ኮይኑ ክስምዖምን ኣብ ዙርያ ብዙሓት ነገራት ዝስምዖም ሕንከት ከወግዱን ይሕግዝ\" ትብል ኦሊቪያ። \"እቲ ድረ ገጽ ዳርጋ ንሰብ ተውግዖ ዘለኻ ስለ ዝመለስል ይሕግዝካ እዩ ዘሎ። ዘ-ሰክሬት ኪፐርስ ስምዒት እዞም ሰባት መሰረት ዘለዎም ምዃኑ ብምርኣይ ተነጽሎ ኣብ ምቅላስ ክሕግዝ ተስፋ ይገብር\"። ይኹን'ምበር እዞም፡ ሰባት ዝንስሑሎም ዘለው መተግበሪታት ኣሉታዊ ጎኒ ኣለዎም'ዩ፤ ብፍላይ ብግቡእ እንተዘይተታሒዞም ኣዕነውቲ ክኾኑ ይኽእሉ። ብስመ ስውርነት ሚስጥራትካ ምንዛዝ ቅኑዕ ልዝባት ክካየድ እኳ እንተኽኣለ፡ ሓላፍነት ዝጎደሎም ጸያፋት ወይ ጨካናት ርኢይቶታት ክወሃበሎም ስለ ዝርኣይ፡ እዚ ነቲ ዝተሓሰበሉ ዕላማ ኣብ ምስኻዕ ማሕለኻ ይፈጥር። ሳራ፡ ብ2018 ሳይበራዊ መድሃልቲ ባይታ ተመቻችእ ነይራ ብዝብሉ ክስታት ካብ ጉግልን ኣፕል ስቶርን ተኣልያ። ብዓረብኛ 'ቅንዕና' ብዝብል ቃል ዝተሰርሐ መተግበሪ፡ ኣስራሕቲ ካብ ሰራሕተኛታቶም ብስመ ስውርነት ቅኑዕ ርኢይቶ ንክቕበሉ ብዝብል'ዩ ነይሩ። ብኣንጻሩ ተጠቀምቲ እዚ መተግበሪ ንሳይበራዊ መድሃልቲ ኣውዒሎምዎ። ከም ዊስፐር፣ ሲክሬትን ኣስክ ኤፍኤምን ዝበሉ መተግበሪታት እውን፡ እቶም ዝሰርሑዎም ኣካላት ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ክቆጻጸሩዎ ብዘይምኽኣሎም ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተዓጽዮም። \"ናይ ኦንላይን መተግበሪታት ጽቡቕ ሃቐነ ብዘይብሎም ሰባት ተመዝሚዞም ድሕነት ሰባት ኣብ ሓደጋ ከውድቑ ይኽእሉ'ዮም። ብስርዓት እንተዘይተታሒዞም ካብ ጥቕሞም ንላዕሊ ጉድኣቶም ክዛይድ ይኽእል'ዩ\" ትብል ዛህራ። \"በዚ ምኽንያት ሰባት ግጉይ መልእኽታት እናበጽሖም ብሰንኪ ዘይተማልኡን መረጋገጺ ዘይብሎምን ሓበሬታታትን ማዕዳታትን ብዝፈጥረሎም ጭንቀት ንዘጋጥሞም ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ ንምፍታሕ ግራ ክኣትዎም ይኽአል'ዩ\" ኢላ። ይኹን'ምበር እዞም ናይ ኑዛዜ ገጻት ዓለምለኻዊ ፍጻመታት ኮይኖም ቀጺሎም ኣለው። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ዩኒቨርሲቲታትን ኮሌጃትን ተመሃሮ ዝሳተፉሎም ናይ ፌስቡክ ንስሓ መጥቀሚታት ኣለዎም። ኣብ ሆንግ ኮንግ ከም Sticky_Rice_Love ከምኡ'ውን Couple.Murmur ዝበሉ ናይ ኢንስተግራም ገጻት ንሰዓብቶም ብመልክዕ ንስሓን መልስን ናይ ጾታዊ ርክብን ፍቕራዊ ምሕዝነትን ማዕዳታት ይህቡ። ኣብ ፓኪስታን ድማ፡ ተጠቀምቲ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ቅኑዕን ስምዒታዊ ሓሳባቶምን ዝገልጽሉ \"gham hour\" ዝተባህለ ገጽ ኣሎ። ኣብ ደቡብ ኮርያ'ውን ብዛዕባ ንጉስ ሚስጥር ዝሓዘ ሰብኣይ ንበይኑ ጥራይ ክሕዞ ኣይኽእልን፤ የግዳስ ናብ ጫካ ከይዱ ነቲ ጫካ ይነግሮ፤ ድሕሪኡ ንፋስ ብዝነፈሰ ቑጽሪ እቲ ጫካ ነቲ ሚስጢር ይደግሞ ካብ ዝብል ኣበሃህላ ዝመንጨዩ፡ \"bamboo forests\" ተባሂሎም ዝጽውዑ ናይ ዌብ ሳይት ገጻት ኣለው። በቲ በለ በዚ፡ ብዙሓት ሰባት ዝሓብኡዎ ሚስጢር ምንሳሕ ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ። ትሑት እቶት ኣብ ዘለወን ሃገራት ዝነብሩ ኣስታት 75 ሚኢታዊት ስነ ኣእምሮኣዊ ጸገማት ዘጋጥሞም ሰባት፡ ሓገዝ በዓል ሞያ ዝረኽብሉ መገዲ ከም ዘይብሎም ጸብጻባት ውድብ ጥዕና ዓለምን ጋፕ ኣክሽን ዝተባህለ ትካል ጥዕና ኣእምሮን የመልክቱ። \"እዚ ማለት እቲ ናይ ሕክምና ክፍተት ኣዝዩ ዓገዚፍ'ዩ ማለት'ዩ። ዝሰልጠኑ ሰብ ሞያ ዘይምህላዎም፣ ትኹረት ናይ ቅድመ ምክልኻል ምንቅስቓሳት ብምውሓዱ፣ ተበጻሕነት እዞም ኣገልግሎታት ኣብ ገጠራትን ትሑት እቶት ዘለወን ሃገራትን ድሩት ምዃኑ ገለ ካብቶም ንጸገም ጥዕና ኣእምሮ ምኽንያት ዝኾኑ ዘለው ጉዳያት እዮም\" ኢላ። ንሳ ዋላ'ውን ክኢላ ስነ ልቦናዊ ሓገዝ እንተኾነት ናይ ኦንላይን ገጻ ውሑስ ሚስጥራት ዝካፈለሉ ቦታ ምፍጣሮም ኣገዳሲ ምዃኑ ትዛረብ። \"ብዛዕባ ዝኾኑ ነገራት ምዝራብ ናይ ምሕዋይ መገዲ ክኸውን ከምኡ'ውን ንገለ ሰባት ኣሉታዊ ስምዒታት መሊሱ ክቕስቕሰሎም ዝኽእል ክኸውን ይኽእል እዩ። ሰባት ውሕስና ክስምዖምን ክሕገዙን ግን ኣለዎም\" ኢላ። ክኢላ ስነ ልቦና ኣንጄሎ ፎሊ ኣብ ፈረንሳ Balance Ta Peur - \"ፍርሕኹም ኣውጽኡ\" ዝብል ናይ ኢንስተግራም ገጽ ዘመሓድር ኮይኑ 70 ሽሕ ተኸተልቲ ኣለውዎ። ካብዚ እቶም ዝንስሑን ዘንብቡን ተጠቀምቲ ምዃኖም ይዛረብ። \"ናይ ኻልኦት ሰባት ኑዛዜ ምንባብ ልክዕ ከም ሓደ ልበ ወለድ ምንባብ እዩ። ንባዕልና ኣብኡ ኣእቲና ንነብስና ንርኢ፤ ናይ ካልኦት ሰባት ዛንታ ስነ ልቦናውን ስምዒታውን ኩነታትና ኣብ ምሕጋዝ ዓብዪ ተራ ኣለዎም\" ኢሉ። ኣንጄሎ፡ መጀመርታ ኣብቲ ገጽ ፍርሖም ዘካፈሉ ሰባት ሓደ እዩ። ሞይኡ ብሚስጢር ዝሓዙዎ ፍርሒ ንከካፍሉ ውሑስ ባይታ ምፍጣር ከም ዘኽኣሎ ይዛረብ። \"ፍርሒ ኣብ ቀጻሊ ህይወትና፣ ኣብ ጊዝያዊ ቅልውላው፣ በሰላታትናን ስቓይናን ከምኡ'ውን ብተደጋጋሚ ኣብ እንሓቶም ነገራት ዘሎ'ዩ። ብዛዕባ እዚ እንዛረበሉ ቦታ ኣይነበረን፤ ስለዚ ኢንስተግራም ሰባት ዕወት ዝመስል ናይ ሓሶት ህይወቶም ካብ ዘካፍልሉ ባይታ ወጻእ ሰባት ዝሕገዝሉ ክኸውን ገይረ\" ኢሉ።","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60992624"} {"headline":"ኤሎን መስክ ካብ ዕድጊት ትዊተር ኣንሳሒቡ","content":"ሃብታም ዓለም ኤሎን መስክ ኣብ ናይ ትዊተር ዕድጊት ውዕሊ ዝተጠቐሱ ብዙሓት ነገራት ስለዘይተኸበሩ ንትዊተር ብ44 ቢልዮን ዶላር ንምግዛእ ኣትይዎ ካብ ዝነበረ ውዕሊ ንገዛእ ርእሱ ከምዘንሳሕበ ተገሊጹ። ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ቦርድ ትዊተር ነቲ ማሕበራዊ ሚድያ ንኤሎን መስክ ብ44 ቢልዮን ዶላር ንምሻጥ ተሰማሚዑ ከምዝነበረ ይፍለጥ። መስክ ንትዊተር ካብ ምግዛእ ዘንሳሕበ፡ እቲ ትካል ቁጽሪ ስኑዓት ገጻት ትዊተር ክንደይ ከምዝኾኑ እኹል ሓበሬታ ከቕርብ ብዘይምኽኣሉ ከምዝኾነ ሓቢሩ። ትዊተር ብወገኑ እቲ ናይ ዕድጊት ውዕሊ ተፈጻሚ ንክኸውን ሕጋዊ ስጉምትታት ንምውሳድ መጽናዕትታት የካይድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። “ቦርድ ትዊተር ምስ ኤሎን መስክ ብዝተበጽሐ ዋጋን ውዕላትን መሰረት ንኽፍጸም ጽኑዕ ድልየት ኣለዎ” ክብል ኣካቢ ቦርድ ትዊተር ብሬት ተይለር ኣብ ትዊተር ገጹ ሓቢሩ። ኤሎን መስክ 273.6 ቢልዮን ዶላር ዝተጻረየ ሃብቲ ዘለዎ ቀዳማይ ሃብታም ዓለም ከምዝኾነ መረዳእታ መጽሄት ፎርብስ የረድእ። ቀንዲ ምንጪ ሃብቲ ኤሎን መስክ ኣብ ኣፍራይ ብኤሌትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ቴስላ ብዘለዎ ብጽሒትን ካብ ናይ ህዋ በረራ ዘሰላስል ትካል ስፔክስ ኤክስ ብዝረኽቦ እቶትን ከምዝኾነ’ዩ ዝግለጽ። መስክ ንትዊተር ክገዝኦ ምዃኑ ኣብ ዝተገለጸሉ እዋን፡ ስሪታትን ናይ ኣጠቓቕማ መምርሕታትን ማሕበራዊ ዓለባ ትዊተር ብምልሕላሕ ሰባት ብዝሓሸ ናጽነትን ብዘይ ገለ ገደብን ሓሳባቶም ክገልጹ ከፍቅድ’ዩ ዝብል ዓብይ ግምት ነይሩ። ኤሎን መስክ ምስ ትዊተር ውዕሊ ኣብ ዝኣሰረሉ ግዜ “ናጻ ሓሳብ መሰረት ዴሞክራሲ’ዩ፣ ትዊተር ድማ ኣብ መጻኢ ህይወት ደቂ ሰባት ኣገደስቲ ዝኾኑ ዛዕባታት ክትዓት ዝግበረሉ ድጅታላዊ ኣደባባይ’ዩ” ኢሉ ነይሩ። ትዊተር ንፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ካብቲ ማሕበራዊ ዓለባ ምስኣገዶ ኤሎን መስክ ብጥብቒ ኮኒንዎ ነይሩ። መስክ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ‘ስፓም’ ን ስኑዓት ገጻትን ክንደይ ከምዝኾኑ መረዳእታ ክሳብ ዝርከብ እቲ ውዕሊ ዕድጊት “ኣብ ዘለዎ ደው” ተገይሩ’ሎ ኢሉ ነይሩ። ትዊተር ካብ ጠቕላላ ተጠቀምቱ ቁጽሪ ስኑዓት ማሕበራዊ ገጻት ካብ 5 ምኢታዊት ዘይዛይድ ከምዝኾነ’ኳ እንተገለጸ መስክ ግን ብመረዳእታ ንኽቐርበሉ ክሓትት ጸኒሑ’ኆ። መስክ እቲ ቁጽሪ ኣስታት 20 ምኢታዊት ከምዝኾነ’ዩ ዝኣምን። ጠበቓታት ኤሎን መስክ ትዊተር ናይዚ መረጋገጺ ከቕርብ ኣይከኣለን ኢሎም። ስፓም ዝኾኑ ገጻት ትዊተር ሓደ ተመሳሳሊ ሓበሬታ ብዘይ ናይቲ ተቐባሊ ፍቓድን ኣፍልጦን ንብዙሓት ሰባት ዝልእኹ ክኾኑ እንከለዉ ስኑዓት ገጻት ድማ ልክዕ ብዘይኮነ መንነት ዝኽፈቱ ገጻት እዮም። ትዊተር መዓልታዊ ከምኡታት ዝመሰሉ ሓደ ሚልዮን ገጻት ክኣሊ’የ ኢሉ መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ።","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/czdglqp9qkno"} {"headline":"ናይጄርያ ናይ ህጻናት ወሲብ ዘርእይ ቪድዮ ንዘባጽሑ ብማእሰርቲ 14 ዓመት ክትቀጽዕ እያ","content":"ናይጄርያውያን ህጻናት ተምሃሮ ጾታዊ ርክብ እንትፍጽሙ ዘርእይ ሓደ ቪድዮ ብበዝሒ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምዝርግሑ ስዒቡ፡ ተመሳሳልቲ ቪድዮታት ምብጻሕ 14 ዓመት ዘእስር ገበን ከምዝኸውን ናይጄርያ ኣጠንቂቓ፡፡ እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብበዝሒ ክባጻሕ ዝቐነየ ቪድዮ፡ ተምሃሮ ሓደ ፍሉጥ ቤት ትምህርቲ ናይጄርያ ናብ ዱባይ ኣብ ዝተጉዓዙሉ እዋን ከምዝተወሰደ ጸብጸባት ይሕብሩ፡፡ ሓንቲ ኣዶ ድማ 10 ዕድሚኣ ጓላ ኣብቲ ተግባር ክትሳተፍ ከምዝተገደደት ትዛረብ። ምምሕዳር ከተማ ሌጎስ ነቲ ‘‘ጾታዊ ዓመጽ ዝተባህለ ክሲ’’ ንምጽራይ እቲ ቤት ትምህርቲ ክዕጾ ኣዚዙ ኣሎ፡፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝተዘርገሐ ቪድዮ፡ እቶም ተባዕትዮ ተምሃሮ ንጓላ ብመዐወኒ እጽ ከምዝመረዝዋ እትገልጽ እታ ኣዶ ንሓለፍቲ እቲ ቤት ትምህርቲ ድማ ነቲ ገበን ብምሽፋን ከሲሳቶም፡፡ ብዙሓት ናይ ቀዳማይን ካልኣይን ናይ ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ዘመሓድር ክሪስላንድ ስኩልስ ግና ነቲ ክሲ ብምንጻግ ነቲ ጉዳይ ብጥቡቕ ከምዝሕዞን ኣብ ዝካየዱ ምርመራታት ከምዝተሓባበርን ገሊጹ፡፡ እቶም ተምሃሮ ንስፖርታዊ ውድድር ከምዝኸዱ ዝገልጽ እቲ ቤት ትምህርቲ፡ ብዛዕባ ዘርኣይዎ ጉድለት ስነ ምግባር ንወለዶም ከምዘፍለጠን ነቶም ተምሃሮ እውን ብመሰረት ሕጊ እቲ ቤት ትምህርቲ ከምዝቐጸዖምን ኣፍሊጡ፡፡ ኣዶ ናይታ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝተፈጸማ ዝተገለጸ ጓል 10 ዓመት ተምሃሪት ግና ኣብ ፈለማ ክብደት እቲ ተግባር ከምዘይተነገራን፡ እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክዘውር ዝቐነየ ቪድዮ ካልእ ሰብ ከምዝሓበረላን ገሊጻ፡፡ ብድሕሪኡ ንጓላ ኣብ ዝሓተተትሉ ድማ ብዛዕብኡ ከይትዛረቢ ከምዝተባህለት ገሊጻትለይ ኢላ፡፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ነቲ ቤት ትምህርቲ ምሕታት ምስጀመረት፡ ጓላ ካብቲ ቤት ትምህርቲ ከምዝተሰጎገት እውን ገሊጻ፡፡ ኣመሓደርቲ ሌጎስ እታ ህጻን እኹል ሕክምናውን ስነ ልቦናውን ሓገዝ ክትረክብ ጻዕሪ ይገብሩ ከምዘለዉ ሓቢሮም ኣለዉ፡፡ ብተወሳኺ ህጻናት ዝሳተፉሉ ዝኾነ ዓይነት ወሲባዊ ቪድዮ ‘‘ ምፍራይ፣ ምክፋል፣ ምቕባልን ምሓዝን’’ ክሳብ 14 ዓመት ዘእስር ገበን ከምዝኾነ መንግስቲ ክልል ሌጎስ ኣፍሊጡ፡፡","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61159765"} {"headline":"ዩትዩብ፡ ሚልዮናት ዶላራት ዝረኽቡ ዘለው ዓሰርተ ዝለዓሉ ተኸፈልቲ መነመን እዮም?","content":"ፎርብስ ዝተሰመየ ኣብ ኣሜሪካ ዝዳሎ ናይ ቢዝነስ መጽሄት ኣብ 2021 ካብ ዩትዩብ ዝለዓለ ክፍሊት ንዝረኸቡ ሰባት ዕላዊ ገይሩ። ስሙ ጂሚ ዶናልድ ሰን እኳ እንተኾነ ሰዓብቱ ብ ‘ሚስተር ቢስት’ እዮም ዝፈልጥዎ። ሚስተር ቢስት ዕድሚኡ 23 ኮይኑ ሃብታም መንእሰይ ክኸውን በቒዑ ኣሎ። ኣብ ዩትዩብ ዝጠቕዖም ቪድዮታት ብድምር ልዕሊ 10 ቢልየን ግዜ ተራእዮም 54 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ረኺቡ። ንሱ ነቲ ብ13 ዓመት ዝንእሶ ኣብ ዩትዩብ ንክልተ ተኸታታሊ ዓመታት ዝለዓለ ተኸፋሊ ኮይኑ ንዝጸንሐ ህጻን ራያን ካጂ ብምብላጽ ነዚ በቒዑ። ብዛዕባ ባምቡላታት ቀጻሊ መደባት ዘዳሉ ወዲ 10 ዓመት ራያን ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ስሙ ኣብ ቅድሚት ክጥቀስ እዩ ጸኒሑ። ብመሰረት ግምት መጽሄት ፎርብስ ኣብ 2021 እቶም ኣብ ዩትዩብ ኣብ ቅድሚት ዝጥቀሱ ዓሰርተ ተኸፈልቲ ብድምር 300 ሚልዮን ዶላር ረኺቦም ኣለው። ጄክ ቦል ዝተባሃለ ተጓሳጥን ዩትዩበርን ካልኣይ ታርታ ሒዙ ኣሎ። ንሱ ድሕሪ 2018 ንፈለማ እዋን እዩ ኣብ ቀዳሞት ዓሰርተ ዝጥቀስ ዘሎ። ናይ ሎምዘበን መስርዕ ዝለዓሉ ተኸፈልቲ ዩትዩበራት ብብዝሒ ደቂ ተባዕትዮን ጸዓዱን ዝተዓብለለ ብምዃኑ ንብዙሓት ኣገሪሙ ኣሎ። ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ትካላት ምዝንጋዕ ከቢድ ሃስያ ኣውሪዱ እዩ። ንዩትዩብ ግና ሽሻይ እዩ ፈጢሩ። እቲ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት መድረኽ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ዕዳግኡ ዝዓመረ ድሕሪ እቲ ለበዳ እዩ። ኣብ 2021 ብዝሒ ኣብ ዙርያ ዓለም ዝርከቡ ተጠቀምቲ ዩትዩብ 2.3 ቢልዮን በጺሑ ኣሎ። እዚ ኣስታት 30% ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ማለት እዩ። ኣብ ዙርያ ዓለም ዝርከቡ ተጠቀምቱ ብድምር መዓልታዊ 1 ቢልዮን ሰዓታት ዝበጽሕ ቪድዮ ይርእዩ። ንምዃኑ እቶም ዓሰርተ ዝለዓሉ ተኸፈልቲ በዓል መን እዮም? 10. ፕሬስተን ኣርሴመንት ፕሬስተን ኣርሴመንት ‘ማይንክራፍት’ ኣብ ዝተባሃለ ጸወታ ዘተኮሩ ቪድዮታት ብብዝሒ ዘዳሉ ኮይኑ ካልእ’ውን የቕርብ እዩ። ኣብዚ ዝርዝር ኣብ ዓስራይ ታርታ ክስራዕ እንከሎ፤ ኣብ 2021 ኣስታት 16 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከም ዝረኸበ ይግመት። እዚ ምስቲ ኣብ ዝቐደመ ዓመት ኣብ ሻምናይ ታርታ ኮይኑ ካብ ዝረኸቦ ኣታዊ ትሕት ዝበለ ምዃኑ ይግለጽ። 9. ሎጋን ፖል እቲ ኣዘራራቢ ተጓሳጥን ውዕሎኡ ብቪድዮ ዘቕርብን (ቭሎገር) ዝኾነ ሎጋን ፖል ኣብ 2017 መበል ዓስራይ ደረጃ እዩ ተሰሪዑ ነይሩ። ኣብ 2021 ንሱ 18 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ እዩ ረኺቡ። 8. ዱድ ፐርፈክት ዘሰሕቕ እከይ ተግባር (ፕራንክ) ዘዳሉ ዱድ ፐርፈክት ኣብ 2020 ኣብቲ መስርዕ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ እዩ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግና ሻምናይ ብምዃን 20 ሚልዮን ዶላር ረኺቡ ኣሎ። 7. ሪያን ካጂ ኣብ ዓለም ኣዝዩ ፍሉጥ ዩትዩበር ኮይኑ ዘሎ ሪያን ካጂ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ካብ ዝነበሮ ቀዳማይ ደረጃ’ዩ ናብ ሻብዓይ ወሪዱ። ኣብ 2021 ብዘዳለዎም ናናይ መጻወቲ ቆልዑ ዝድህስስ መደባት፣ መምሃሪ ቪድዮታትን ናይ ስድርኡ ምንቅስቓሳት ዝድህስሱ ቪድዮታትን 27 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ረኺቡ። 6. ናስትያ ጓል 7 ዓመት ሩስያዊት ናስትያ ኣብ ዩትዩብ 90 ሚልዮን ሰዓብቲ ኣለውዋ። ንሳ ናይ ቆልዑ መጻወቲ ናውትታት ብምቕራብ ዝጀመረት ኮይና ኣብዚ እዋን እትጽዕኖም ንውዕሎኣ ዝድህስሱን ሙዚቃዊ ቪድዮታትን ህቡብነት ስለዘምጽኡላ ኣብ 2021 ኣታዊኣ ናብ 28 ሚልዮን ዶላር ክብ ኢሉ ኣሎ። 5. ኣንስፒከብል ናብ ዝርዝር ዝለዓሉ ተኸፈልቲ ሓድሽ ዝኾነ ኣንስፒከብል ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ናይ ‘ማይንክራፍት’ ጸወታ ቪድዮ ኣብ ዩትዩብ ክጽዕን ጸኒሑ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ስፖተር ዝገበሮ ስምምዕ’ዩ ኣታዊኡ 28.5 ሚልዮን ዶላር ክበጽሕ ኣኽኢሉ። 4. ሬት ኤንድ ሊንክ ኣብ ዩትዩብ ናይ ዝመሓላለፍ ናይ ዘተ መደብ ኣዳላዊ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 30 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ጌሩ። 3. ማርኪፕለር ማርኪፕለር’ውን ካልእ ናይ ጸወታ (ጌም) ቪድዮታት ዘዳሉ ኮይኑ ነቲ ስም ፍሉጥ ምልክት ንግዲ ክገብሮ ክኢሉ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 38 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከኣ ረኺቡ። 2. ጃክ ፖል ኣብ ካልኣይ ታርታ ዝተቐመጠ ተጓሳጢ ጄክ ፖል፡ ከዋኽብቲ ምስ ዝኾኑ ተጓሰጥቲ ኣብ ዝገበሮ ከቢድ ቅልስ ብዙሓት ሰዓብቲ ከጥርይ እንከሎ ኣብዚ ዓመት 45 ሚልዮን ዶላር ተኸፊሉ። 1. ሚስተር ቢስት ኣብ ዩትዩብ ናይዚ ዓመት ዝለዓለ ኣታዊ ዝረኸበ ኮይኑ ንሰዓብቱ ንምሕጓስ ዝተፈላለዩ መደባትን ዘሰሕቕ እከይ ተግባራትን (ፕራንክ) ይጥቀም። ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዘቕረቦም ቪድዮታት 80000 መናብር ኣብ ዘለዎ ስታድዩም ጭርጭር ዓበደ ተጻዊቱ ኣብ ትሕቲ መሬት’ውን ተቐቢሩ።","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60008464"} {"headline":"ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ብመንግስቲ ቅሬታ ዝቐረበሉ ትዊተር ኣብ ጉዳይ እታ ሃገር ሻራ ከምዘይወስድ ገሊጹ","content":"ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝድግፉ ድምጽታት ይዕፍን ኣሎ ዝብል ክሲ ዝቐረበሉ ዓቢይ ኩባንያ ማሕበራዊ መራኸቢታት ትዊተር፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጸግዒ ከምዘይወስድ ገሊጹ። ኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ብልለኔ ስዩም ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ትዊተር \"ንኢትዮጵያ ዝድግፉ ድምጽታት ይዕፍን ኣሎ\" ድሕሪ ምባላ እቲ ትካል ኣብ ዝሃቦ ምላሽ \"ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ጸግዒ የብለይን\" ኢሉ። ኣፈኛ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ንዝልጠፉ ትሕዝቶታትን ገጻትን ብዝምልከት መምርሒታት እቲ ትካል ብዘይ ኣፈላላይ ኣብ ኩሉ ተፈጻሚ ይኸውን ምህላው ሓቢሩ። እቲ ትካል ቀዳምነት ዝህቦ ድሕነት ምዃኑ ብምግላጽ: ኣብ ልዕሊ ንመምርሒታት ትዊተር ዝጠሓሱ ብርክት ዝበሉ ገጻት ስጉምቲ ከምዝተወሰደ'ውን ሓቢሩ። ቢልለኔ ደገፍቲ ህወሓት ዝኾኑ ሰባት ኣብ ትዊተር ኣትዮም ከምዘለው ብምግላጽ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ንጉጅለ ፖሊሲ እቲ ትካል ከምዝተሓበረ ተዛሪባ ነይራ። ንኢትዮጵያ ዝድግፉ ድምጽታት ክዕፈኑ እንከለው ንህወሓት ዝድግፉን ናይ መንግስቲ ለውጢ ክካየድ ዝጉስጉሱን ሓሳባት ክንጸባረቑ ይፍቀድ ኣሎ ክትብል ከሲሳ እያ። እንተኾነ ብዛዕባ እቶም ተዓፊኖም ዝበለቶም ድምጽታት ዝርዝር መብርሂ ኣይሃበትን። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብወገኑ ብሰሉስ፡ ትዊተር ንገጻት ዋና ዳይሬክተር 'ኒው ኣፍሪካ ኢንስቲትዩት' ዶክተር ስምኦን ተስፋማርያም ምድስካሉ ብምንቃፍ ዳግመ መረመራ ክገብር ሓቲቱ። \"ዶክተር ስምኦን ተስፋማርያም ስለቲ ካብ ፖለቲካዊ ምዝዛው ንዝነቅል ብቀንዲ መራኸቢ ብዙሓን ንዝፍኖ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ንምግጣም ዘቕርቦ ጥንቁቕን ሚዛናውን ጸብጻባቱ ሽልማት እዩ ዝግብኦ። ትዊተር ንገጻቱ ምድስካሉ ምኽንያት ዘይብሉን ቅልጡፍ ዳግመ ምርመራ ዘድልዮን እዩ\" ኢሉ። ዋና ዳይሬክተር 'ኒው ኣፍሪካ ኢንስቲትዩት' ምዃኑ ዝገልጽ ስምኦን ኣብቲ ኲናት ንመርገጺ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘቃልሕ ትሕዝቶታት ብተደጋጋሚ ክዝርግሕ ይርአ። ኤርትራ፡ ሓይልታታ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ፈደራል ኢትዮጵያ ብምስላፍ ኣብ ኲናት ትግራይ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ክትዋጋእ ምጽንሓ ይፍለጥ። ትዊተር እቶም ስጉምቲ ዝተወሰደሎም ገጻት 'ፕላትፎርም ማኒፕዩለሽን' ከምኡ'ውን 'ስፓም ፖሊሲ' ዝጠሓሱ ምዃኖም ገሊጹ ኣሎ። ካብ ኣሰራርሓ ትዊተር ውጽእ ብዝበለ መገዲ፡ ዝተፈላለዩ ሜላታት ብምጥቃም ኣጋገይቲ መልእኽትታት ኣብ ሓደ ግዜ ንብዙሓት ተጠቀምቲ ንምብጻሕ ዝግበር ጻዕሪ ትዊተር 'ፕላትፎርም ማኒፕዩሌሽን' ክብል ይገልጾ። ቅድሚ ሒደት ሰሙናት፡ ትዊተር፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ብቐረባ ይከታተሎ ምህላውን ጎንጺ ዘለዓዕሉን ንሰባት ዘነኣእሱን መልእኽትታት ከምዘየተኣናግድን ገሊጹ ነይሩ። እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ንቢቢሲ ብኢመይል ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ \"ካብቲ ገጻት ንዝተኣለዩ ናይ ሓሶት ከምኡ'ውን ተመሳሰልቲ ትሕዝቶታት መሊስካ ንምልጣፍን ናይ ሓሶት ተሳትፎታትን ንምፍጣር ዝተኸፈቱ ኣካውንትታት እዮም\" ኢሉ። ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ምዕባለታት ብቕርበት ምክትታል ከምዝቕጽልን: መንግስቲ ምስ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ኣካላት ርክብ ይግበር ምህላው'ውን ኣመልኪቱ። ትዊተር ንዝበጽሕዎ ቅሬታታት ወይ'ውን ጥርዓናት ንምርኣይ ወትሩ ድልው ምዃኑ እቲ ኣፈኛ ትዊተር ንቢቢሲ ገሊጹ። ትዊተር ኣብዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ እናዓበዩ ካብ ዝመጹ መድረኻት ማሕበራዊ መራኸቢታት ኮይኑ፤ ኣብዚ ቀረባ ግዚያት ጸግዒ ሒዙ ኣሎ ዝብል ክስታት ይቐርበሉ ኣሎ።","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59495281"} {"headline":"ቲክቶክ ብብዝሒ ተጠቀምቲ ካብ ጉግል ምብላጹ ተሓቢሩ","content":"ብዝሒ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ቲክቶክ ካብ ናይ ጉግል ተገልገልቲ ከምዝዛየደ ተገሊጹ። እቲ ናይ ቪድዮ መተግበሪ [‘ኣፕሊኬሽን’] ካብቲ ሓበሬታታትን ካልእን ንምእላሽ ዘገልግል ገጽ ጉግል ብዝበለጸ ሰባት ይጥቀሙሉ ምህላዎም 'ክላውድፍለር' ዝተበሃለ ኩባንያ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። ብፍላይ ኣብ ለካቲት፣ መጋቢትን ሰነን ዓመተ 2021 ንጉግል ክዕብልሎ ዝተረኣየ ኮይኑ፡ ካብ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ድማ ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ይርከብ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጉግል ብቐዳምነት ይመርሕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከም ቲክቶክ፣ ኣማዞን፣ ኣፕል፣ ፌስቡክ፣ ማይክሮሶፍትን ኔትፍሊክስን ድማ ኣብ መስርዕ ብሉጻት 10 ነይሮም። ቲክቶክ ንጉግል ብብዝሒ ተጠቀምቲ ክበልጾ ዝኸኣለ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተፈጠረ ኩነታት ከምዝኾነ ይእመን። ሰባት ኣብ ገዝኦም ኮፍ ብምባሎም ነቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ከም መዘናግዒ ክጥቀሙሉ ብምምራጾም ብዝሒ ተጠቀምቱ ከምዝወሰኸ ይግለጽ። ኣብ ወርሒ ሓምለ ጥራይ መተግበሪ [‘ኣፕሊኬሽን’] ቲክቶክ ልዕሊ 3 ቢልዮን ጊዜ ከምዝተጽዓነ [‘ዳውንሎድ’ ከምዝተገበረ] ሰንሰር ታወር ዝተበሃለ ኩባንያ ዳታ ይሕብር። እቲ ብቻይናዊ ኩባንያ ዝውነን ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ኣብዚ እዋን ልዕሊ ብደረጃ ዓለም 1 ቢልዮን ተጠቀምቲ ዘለውዎ ኮይኑ፡ እቲ በዝሒ ምውሳኹ ቀጺሉ’ሎ። ቲክቶክ ኣብ ቻይና ‘ዱዪን’ ብዝብል ዝፍለጥ ኮይኑ ብዝተፈለየ ኔትወርክ ኣብ ጥቕሚ ከምዝውዕል ይፍለጥ። ዱዪን ንፈለማ እዋን ኣብ ወርሒ መስከረም 2016 ናብ ኣገልግሎት ተቐልቂሉ። ኣብዚ ዓመት ድማ ዕድሚኦም ትሕቲ 14 ዓመት ዝኾኑ ቻይናውያን መዓልታዊ 40 ደቒቓ ጥራሕ ክጥቀሙ ብመንግስቲ ተገዲቡ’ሎ። ቲክቶክ ብደረጃ ዓለም ኣብ 2018 እዩ ተጀሚሩ። ኣዘራራቢ ዝኾነሎም ኣጋጣምታት ድማ ዝተለመዱ’ዮም። ኣብ ህንዲ ብ2019 ንዝተወሰነ ጊዜ ተገዲቡ ምንባሩ ይዝከር። ምስ ድሕነትን ብሕትውነትን [‘ፕራይቬሲ’] ብዝተሓሓዝ ድማ ቅርታታት ይቐርበሉ። ብፍላይ ካብ ቻይና ወጻኢ ዘለዉ ፖለቲከኛታትን ተቖጻጸርትን ነዚ ስግኣታት ብስፍሓት የልዕሉ። ቲክቶክ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ‘ብመንግስቲ ቻይና ቁጽጽር ከምዝግበረሉ’ ንዝቐረበ ክሲ ነጺግዎ ነይሩ። ኣብ ኣውሮጳ፣ ማእኸላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ሓላፊ ፐብሊክ ፖሊሲ ቲክቶክ ቲዮ በርትራም፡ ካብ መንግስቲ ቻይና ዝኾነ ዳታ ሃቡና ዝብል ሕቶ እንተዝቐርበሎም እውን ከምዝነጽግዎ’ዩ ኣረጋጊጹ። መተግበሪ ቲክቶክ ከም ኮሜዲ፣ ዳንስን ፖለቲካን ንዝበሉ ትሕዝቶታት ቪድዮ ዘእንግደሉ ኣማራጽታት ከምዘለውዎ ይፍለጥ። ኣብ ብሪጣንያ ትሕዝቶታታ ብቲክቶክ ብምፍናው እትፍለጥ በዓልቲ ሞያ ጽባቐ ኣቢሮበርትስ (@abbyroberts) ኮይና 17.4 ሚልዮን ሰዓብቲ ኣለውዋ።","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59794682"} {"headline":"ትዊተር፡ ኣካያድን ሓደ ካብ መስረትትን ትዊተር፡ ጃክ ዶርሲ ካብ ሓላፍነቱ ተሰናቢቱ","content":"ሓደ ካብ መስረትቲ ትዊተርን ላዕለዋይ ኣካያዲ ስራሕ ትዊተርን ዝኾነ ጃክ ዶርሲ ካብ መዝነቱ ከምዝተሰናበተ ገሊጹ። ንዕኡ ተኪኡ ሓላፊ ተክኒክን ቴክኖሎጅን ትዊተር፡ ፓርግ ኣግራዋል ብግዝያውነት ላዕለዋይ ኣካያዲ ትካል ትዊተር ኮይኑ ክሰረሕ'ዩ። ጃክ ዶርሲ ነዚ ሚልዮናት ተጣቐምቲ ዘለዉዎ ትዊተር ቅድሚ 15 ዓመት'ዩ ምስ ብጾቱ ኮይኑ መስሪትዎ። ጃክ ዶርሲ \"ነዚ ሓላፍነት ክገድፎ እንተኾይነ ሕጂ እየ ክገድፎ ዘለኒ\" ድሕሪ ምባል፡ እዚ ዓቢ ትካል ማሕበራዊ ሚድያ ዝኾነ ትዊተር ብዘይ ብኡኡ ክቕጽል ከምዝኽእል ኣብሪሁ። ነቲ ንዕኡ ተኪኡ ብግዝያውነት ሓለፍነት ዝርከብ ዘሎ ፓርግ ኣግራዋል ኣመልኪቱ kኣ \"ኣብ ልዕሊኡ ዓቢ ትጽቢትን ርእሰ ምትእምማንን'ዩ ዘለኒ፡ ብኽእለቱን ብቅንዕንንኡን እተኣማመነሉ'ዩ\" ኢሉ። ፓርግ ኣግራዋል ኣብ ትካል ትዊተር ካብ 2011 ጀሚሩ'ዩ ክሰርሕ ጀሚሩ ካብ 2017 ጀሚሩ ኸኣ ሓላፊ ተክኒክን ቴክኖሎጂን እቲ ትካል ኮይኑ ብሓላፍነት ክሰርሕ ጸኒሑ። ጃክ ዶርሲ ኣብ ኣፍንጭኡ ብዘላ ስቁሬንን ነዊሕ ጭሕሙን ከምኡ'ውን ኣብ መዓልቲ ሓንሳብ ጥራይ ብምምጋብ ፍሊይ ዝበል ኣካይዳ ዝኽተል ውልቀሰብ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሓዲሽ ዓመት፡ ገለ ገለ ወገናት ኣተኩርኡ ኣብ ሓደ ትካል ጥራይ መታን ክገብር ካብ ሓላፍነቱ ክወርድ ክሓቱ ጸኒሖም'ዮም። ጃክ ዶርሲ ካብ ሓላፍነቱ ክወርድ ምዃኑ ምስ ሓበረ፡ ዋጋ ሓደ ብርኪ ናይ ትዊተር ብመጠኑ ወሰኽ ናይ ዋጋ ከርኢ ክኢሉ እዩ። ወዲ 45 ዓመት ጃክ ዶርሲ ንትዊተር ምስ ቢስ ስቶን፡ ኢቫን ዊልያምን ኖህ ግላስን ብምዃን እዩ መስሪትዎ። እንተኾነ ናይ መጀመርታ ጽሑፍ ናይ ትዊተር ብምልጣፍን ንነዊሕ ዓመታት ነቲ ትካል ብመሪሕነት ብምክያድን ስም ትዊተር እንክልዓል ጃክ ዶርሲ'ዩ ዝልዓል። ጃክ ዶርሲ ኣብ 2008 ንትዊተር ብምግዳፍ 'ስኵዌር' ዝብሃል ዋግኡ ቢልዮናት ዶላርት ዝግመት ዲጂታላዊ ናይ ክፍሊታት መተግበሪ መስሪቱ ብመሪሕነት ከካይዶ ጀሚሩ ነይሩ እዩ። እንተኾነ ንሸውዓተ ዓመታት ንትዊተር ብመሪሕነት ዘካየዶ ዲክ ኮስቶሎ ስራሕ ምስ ገደፎ፡ ጃክ ዶርሲ ላዕለዋይ ኣካያዲ ስራሕ ትዊተር ብምዃን ዳግማይ ናብ ሓላፍነቱ ተመሊሱ።","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59472343"} {"headline":"ፌስቡክ ናይ ሓሶት በዓልሞያ ብምጥቃስ ስኑዕ ሓበሬታታት ንዝዘርግሑ ገጻት ሰሪዙ","content":"ፌስቡክ ልዕሊ 500 ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዘርጊሖም ዝበሎም ቻይና ንዝመበቆሎም ገጻት ኣልዩ። እቶም ገጻት \"ዊልሰን ኤድዋርድስ\" ናይ ዝተባሃለ ስዊዘርላንዳዊ ተመራማሪ ምዃኑ ዝገለጽዎ ኣመሪካ ንመበቆል ኮቪድ-19 ንምፍላጥ ዝግበር መርመራታት ኢዳ ተእትወሉ ከም ዘላ ዝገልጽ ርእይቶታት ከቃልሑ ዝጸንሑ እዮም። ርእይቶታት ኤድዋርድ ኣብ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ቻይና'ውን ብሰፊሕ ተጋዊሑ እዩ። ኤምባሲ ስዊዘርላንድ ግና ከምኡ ዝበሃል ሰብ ከምዘየለ ገሊጹ። ኣደ ኩባንያ ፌስቡክ ዝኾነ ሜታ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተኻየደ ጎስጓስ ኣብ ኣመሪካን ብሪጣንያን ንዝርከቡ ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝን ኣብ ታይዋን፡ ሆንግ ኮንግን ቲበትን ዝርከቡ ተዛረብቲ ቋንቋ ቻይናን ዒላማ ዝገበረ ምንባሩን ብዓቢኡ ዕውት ከምዘይነበረን ገሊጹ። ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ወርሒ ሓምለ ብሓደ ዊልሰን ኤድዋርድስ ዝተባሃለ ስዊዛዊ ተመራማሪ ከምዝውነን ዝገልጽ ገጽ፡ ኣብ ፌስቡክን ትዊተርን ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ንመበቆል ኮቪድ-19 ዘጽንዑ ተመራመርቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ጸቕጢ ትገብር ከምዘላን ንቻይና ንምጥቃን ትፍትን ምህላዋን ገሊጹ ነይሩ። ሲጂቲኤን ዝተባህለ መደበር ተለቪዢን፡ ሻንጋሃይ ደይሊን ግሎባል ታየምስን ዝርከብዎም መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ነቲ ተመራማሪ ስነህይወት ብምጥቃስ ጸብጻባት ኣዳልዮም። ኤምባሲ ስዊዘርላንድ ግና: ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ ናይ ፌስቡክ ገጽ ቅድሚ እቲ ናይ ፈለማ ልጥፎ ቅድሚ ክልተ ሰሙናት ከምዝተኸፈተን ሰለስተ ኣዕሩኽ (ፍሬንድስ) ጥራይ ከም ዝነበሮን ብምጥቃስ እቲ ዝተጠቐሰ ሰብ ብህይወት ናይ ምህላው ተኽእሎ ጸቢብ ምዃኑ ሓቢሩ። ወሲኹ'ውን ብዊልሰን ኤድዋርድስ ዝተመዝገበ ተወላዲ ስዊዝ ከምዘየሎን በቲ ስም ዝተዳለወ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ከምዘይተረኽበን ብምግላጽ መራኸቢ ብዙሓን ቻይና ነቲ ስም ዝጠቅስ ትሕዝቶታት ክኣልዩ ሓቲቱ። ኩባንያ ሜታ ኣብ ናይ ወርሒ ሕዳር ጸብጻቡ: ኣብቲ ጉዳይ ዝገበሮ ምጽራይ እቶም ገጻት ካብ ቻይና ዝነቐሉ ከም ዝኾኑን ምስ መንግስቲ ቻይና ምትእስሳር ዘለዎም ሰባት ብድሕሪት ምህላዎምን ከምዘነጸረ ገሊጹ። ሲቹዋን ሳይለንስ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ኣብ ዝተባሃለ ቻይናዊ ትካል ምስ ዝሰርሑ ሰባት ከም ዝተሓሓዝ'ውን ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ንኣሃዱ ስለያ ቻይና ቴክኒካዊ ድጋፍ ዝህብ መርበብ እዩ። ፌስቡክ 524 ኣካውንትታት፣ ኣርባዕተ ጉጅለታት (ግሩፕስ) ከምኡ'ውን 20 ገጻትን 86 ናይ ኢንስታግራም ገጻትን ምእላዩ ገሊጹ። እቲ ብስዊዘርላንዳዊ ተመራማሪ ስነህይወት ዝተነግረ ከም ዝኾነ ዝተገለጸ ሓበሬ:ታ ፈለማ ብናይ ሓሶት ገጻት ፌስቡክ እዩ ተቓሊሑ። ድሒሩ ድማ ናብ ሓቀኛ ገጻት ፌስቡክ በጺሑ። ንመበቆል ኮቪድ-19 ብዝምልከት ዝካየድ መርመራ ኣብ መንጎ ኣመሪካ፡ ቻይናን ካልኦት ሃገራትን ጠንቂ ምስሓሓብ ክኸውን እንከሎ፡ ሎሚ ድሕሪ ክልተ ዓመት'ውን ብዛዕባ መበገሲ እቲ ቫይረስ ዝፍለጥ ነገር ውሑድ እዩ።","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59509147"} {"headline":"ኢትዮጵያ ኢንተርኔት ብምዕጻው ልዑል ገንዘብ ካብ ዝሰኣና ሃገራት ኣፍሪቃ ካልኣይቲ ኾይና","content":"ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብምኽንያት ምቁራጽ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ልዑል መጠን ገንዘብ ካብ ሞንጎ ዝሰኣና ሃገራት ትሕቲ ሳህራ፡ ኢትዮጵያ ንናይጄርያ ብምስዓብ ብኻልኣይ ደረጃ ከምዝተሰርዐት ሓደ መጽናዕቲ ሓቢሩ። ኣብቲ ዓመት ኣገልግሎት ኢንተርኔት ብፍላጥ ኣብ ዘቋረጻ ሃገራት ዓለም ዝበጽሐ ኪሳራ ብዝምልክት ሓበሬታ ዝዘርግሐ ‘ቶፕ ቴን ቪፒኤን’፡ ንናይጄርያ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ኣፍሪቃ ብቐዳምነት ሰሪዕወን ኣሎ። ኣብ ምሉእ ዓለም ዝተፈላለዩ መንግስታት ሃገራት ንኣገልግሎት ኢንተርኔት ብምቁራጾም ብሓፈሻ ናይ 5.5 ቢልዮን ዶላር ክሳራ ከምዝሰዓበ እቲ ጸብጻብ የመልክት። በዚ መሰረት ኣብቲ ዝተዛዘመ ዓመተ ፈረንጂ - 2021 - ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኢንተርኔትን ክቋረጹን ማሕበራዊ መራኸብታት ክዕጸዉን ስለዝተገበረ፡ እታ ሃገር 164.5 ሚልዮን ዶላር ከምዝሰኣነት’ዩ ዝግለጽ። ኣብ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ቀጺሉ ዘሎ ኲናት ኣገልግሎት ኢንተርኔት ከምዝተቛረጸ ዘዘኻኸረ እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ድማ ሃገራዊ ፈተና ብማሕበራዊ ሚድያ ልሒዅ ወጺኡ ብዝብል ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ፌስቡክ፣ ዋትሳፕን ኢንስታግራምን ኣገልግሎቶም ክቋረጽ ተገይሩ ምንባሩ ጠቒሱ። እቲ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ን 8,760 ሰዓታት ክቋረጽ ከሎ፤ ማሕበራዊ ሚድያታት ድማ ን104 ሰዓታት ተዓጽዮም ነይሮም። ብሰንኪ’ዚ ምትእጉጓል ኢንተርኔትን ማሕበራዊ መራኸብታትን ከኣ ኣብታ ሃገር ልዕሊ 21 ሚልዮን ሰባት ከምዝተጸገሙ ኣረዲኡ። ብደረጃ ዓለም ክረኣይ ከሎ ብሰንኪ ምቁራጽ ኢንተርኔት ዝለዓለ ክሳራ ዘጋጠማ ሃገር ምብራቕ እስያዊት ሚያንማር ክትኸውን ከላ፡ እዚ ከኣ ነቲ ብወተሃደራዊ ኣዘዝቲ እታ ሃገር ዝተፈጸመ ዕለዋ ስዒቡ ዘጋጠመ’ዩ። ኣብታ ሃገር ኣገልግሎት ኢንተርኔት ን 12,238 ሰዓታት ዝተቛረጸ ኮይኑ፤ ብገንዘባዊ ኪሳራ ክግለጽ ከሎ 2.8 ቢልዮን ዶላር ይግመት። ብኻልኣይ ደረጃ ዝተሰርዐት ድማ ኣፍሪቃዊት ሃገር ናይጀርያ ክትኸውን ከላ፤ ብሰንኪ እቲ ብፍላጥ ዝተገበረ ምቁራጽ ኢንተርኔት 104.4 ሰባት ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኮይኖም። ብገንዘብ ክግመት ከሎ 1.5 ቢልዮን ዶላር ይበጽሕ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ ኩሎም ኣማራጽታት ማሕበራዊ መራኸቢ ማዕቐብ ዝተገበረሉ ትዊትር ኮይኑ፤ ፌስቡክን ዋትሳፕን እውን ኣብ ገለ ሃገራት ብተኸታታሊ ክቋረጹ ተገይሮም። ብሓፈሻ ብደረጃ ዓለም ኣብ 21 ሃገራት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዘጋጠሙ ኣስታት 50 ዓበይቲ ናይ ኢንተርኔት ምቁርራጽ ተመዝጊቦም። እዚ ድማ ኣብ ቁጠባ ዓለም 5.45 ቢልዮን ዶላር ኪሳራ ዘኸተለ ኮይኑ፤ እዚ መጠን ኪሳራ ካብቲ ብ2020 ዝነበረ ብ36 ሚኢታዊት ከምዝወሰኸ ጸብጻብ ቶፕ ቴን ቪፒኤን የመልክት። ኣብተን ኢንተርኔት ዝተቛረጸለን ሃገራት ኣስታት 486.2 ሚልዮን ሰባት ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኮይኖም። እቲ ምቁራጽ ኢንተርኔት ምስ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተሓሓዝ እቲ ጸብጻን ወሲኹ ይሕብር። በዚ ምኽንያት ኣብ ምርጫ፣ መሰላት ምዝራብን ካልእን ጥሕሰታት ይፍጸሙ።","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60021138"} {"headline":"ናይ ጸጉሪ መትሓዚ ስፒሎ ብገዛ ዝቐየረት ሰበይቲ","content":"ደሚ ስኪፐር ኣብ እዋን ለበዳ ንዝገጠማ ብድሆ ናብ ረብሕኣ ቀዪራቶ። “ምስ መሓዙተይ ክራኸብ ይወጽእ ኣይነበርኩን፤ ስለዚ ንገዛእ ርእሰይ ሓደ ብድሆ ኣዳልየ” ትብል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ። ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመትን ፈረቓን - 28 ንግዳዊ ልውውጣት ብምክያድ ብመትሐዚ ጸጉሪ ስፒሎ ተበሰጊሳ ዋና ገዛ ክትከውን በቒዓ። ንሳ 5 ሚልዮን ንዝኾኑ ናይ ቲክቶክ ሰዓብታ በቲ መስርሕ መሲጣቶም እያ።","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59818303"} {"headline":"ንብዙሓት እተተባብዕ: ኣእዳው ዘይብላ ተጠቃሚት ቲክቶክ","content":"ብሓደጋ ክልተ ኣእዳዋ ዝሰኣነት መጋ ጊሚር ኣብ ቲክቶክ ትዝርግሖ ቪድዮታት ሳዕስዒትን ዕለታዊ ንጥፈታትን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ይከታተልዎ። እታ ጓል 23 ዓመት ኔፓላዊት ጓል 18 ዓመት እንከላ እዩ ሓደጋ ኤለክትሪክ ኣጓኒፍዋ። ነቲ ቪድዮታት ዝርእዩ ብዙሓት ሰባት ብምትብብዖም ሓበን ከም ዝስምዓ ትዛረብ።","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57760351"} {"headline":"ቻይና፡ ንምዕራባውያን ዘጥቅዑ ሓርበኛታት መርበብቲ 'ዚጋንው'","content":"ቻይናዊት መርባቢት (ብሎገር) ጉያንሙቻን፡ ኣብቲ ኣብ ቻይና ከም ትዊተር ዘገልግል 'ዌይቦ' ዝተባሃለ ማሕበራዊ መራኸቢ ልዕሊ 6.4 ሚልዮን ሰዓብቲ ከህልዋ እንከሎ፡ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ዘተኮረ ጽሑፋትን ቪድዮታትን ትልጥፍ። \"ኣውሮጳዊ ሕብረት ብናይ ከልቢ መወጠጢ ምራን ኣመሪካ ተኣሲሩ እዩ ዘሎ\" ኣብ ቀረባ ግዜ ዝዘርግሐቶ ልጥፎ ዝብሎ እዩ። \"ኣብ ክፍለሃገር ቴክሳስ ዝርአ ዘሎ ምውሳኽ መልከፍቲ ኮቪድ መርኣያ 'ኲናት ሓድሕድ' እዩ፤ 'ኣመሪካውያን ብባዮሎጂካዊ ኣጽዋር ንሓድሕዶም ይቃተሉ ኣለው'\" ይብል ካልእ ልጥፎ። ጉያንሙቻን፡ ሓንቲ ካብቶም \"ዚጋንው\" ዝበሃሉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብብዝሒ ዝረኣዩ ዘለው ቻይናውያን ሃገራውያን መርበብቲ እያ። እቲ ስሞም ካብ'ቶም ሰብ ዘሰክሑ: ፕሮፖጋንዳ መንግስቲ ዝዝርግሕ ሰራዊት \"ውማዎ\" ዝብገስ ኮይኑ፤ \"ዚጋንው\" ግና ብዘይክፍሊት ብናጻ እዮም ዝሰርሑ። እቲ ዝልጥፍዎ: ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ደገፍቶም ሼር ዝግበር፡ ዒደር ጽሑፋትን ቪድዮታትን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንሃገራትን መራኸቢ ብዙሓንን ምዕራብ ዝነቅፍ እዩ። ከም ምዕራባዊ ጽልዋ ዝቑጸሩ: ከም ኣንስትነት (ፌሚኒዝም)፡ ሰብኣዊ መሰላት፡ ሕብረባህላውነት፡ ደሞክራሲ ዝኣመሰሉ ንማሕበረሰብ ቻይና \"ዘበላሽው\" ጉዳያት ከኣ ብደቂቅ ክትትል ይግበረሎም። እቶም ከም ታይዋንን ሆንግ ኮንግን ዝኣመሰሉ \"ንተነጻልነት\" ዝጉስጉሱ ዝበሃሉ ደገፍቲ ደሞክራሲ ዝኾኑ ጎስጎስቲ፡ ንጡፋት ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ምሁራትን ክኢላታትን ቀንዲ ዕላምኦም እዮም። እታ ተላባዒ ሕማም ኣብ ውሃን ከም ዝተርኣየ ፈለማ ዝጸሓፈትን ዓለምለኻዊ ኣቓልቦ ዝረኸበትን ጸሓፊት ፋንግ ፋንግ ሓንቲ ካብቶም ዕላማ ዝኾኑ እያ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መርባቢት \"ዚጋንው\" ዝኾነት ሻንግዲዝዪንግ \"ንሓደ ካብቲ ጸረ ቻይና ዝኾኑ ሓይልታት ከካፍኡና ካብ ዝጥቀሙሉ መሳርሒታት ተጠቂማ ኣዕᎁቓ ብዝባንና ወጊኣትና\" ክትብል ንፋንግ ፋንግ ብምኽሳሳ ኣዘራራቢ ኮይኑ ኔሩ። ኣብ ቀረባ እዋን ላዕለዋይ በዓል ሞያ ሕክምና ዛንግ ዎንሆንግ፡ ቻይና ምስ ኮቪድ ምንባር ክትመሃር ይግባእ ምባሉ ምስ ወግዓዊ ፖሊሲ ቻይና ዝጻባዕ ብምንባሩ ዕላማ ኮይኑ እዩ። ብዙሓት መርበብቲ፡ ነቲ ኣብ ምዝዛም ናይ ዶክትሬት ትምህርቱ ዘዳለዎ ጽሑፍ (ዲዘርቴሽን) ብምፍታሽ ዘይናቱ ሓሳብ ከም ናቱ ኣምሲሉ ኣቕሪቡ ብምባል ብቅስጠት (ፕላጅያሪዝም) ከሲሶምዎ፤ እንተኾነ ግና እቲ ዩኒቨርስቲ ድሒሩ ካብቲ ክሲ ነጻ ጌርዎ። ከምዚ ዝኣመሰሉ፡ መዓልታዊ ዝዝርግሑ፡ ብኣሰርተታት ዝቑጸሩ ልጥፎታት ዕምቆት ዘይብሎምን ስምዒታውያን ብምዃኖም ብዙሓት ከም ዝቀባበሉዎም ክኢላታት ይገልጹ። ተንታኒ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቻይና ማንያ ኮኤትሰ \"እዚ ስሉጥ መግቢ ሃገራውነት እዩ። ሰባት ካብኡ ንእሽቶ ይኹልሱ፡ ሼር ይብልዎ፡ ካብኡ ረሲዖምዎ ኣለው\" ትብል። ተባራዒ ቅይጥ ብዙሓት ንምልዕዓል ሓርበኛዊ ስምዒት ቻይና ከም ውጽኢት ናይቲ ኣብ መንጎ ቻይናን ምዕራብን ዘሎ ወጥሪ እዮም ዝርእይዎ፤ እንተኾነ ግና ንሱ ፍርቂ ናይቲ ዛንታ እዩ። ሃገራውነት ኣብ ብዙሕ ቦታታት ኣብ ዙርያ ዓለም ይዓርግ እኳ እንተሎ፡ ኣብ ቻይና ፕረዚደንት ዢ ጂንፒን ንቻይናዊ መንነት ምስ ምውዕውዑን ቅልጡፍ ዝርግሐ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ብሓደ እዋን እዩ ተኸሲቱ። እቶም \"ዚጋንው\" መብዛሕትኦም \"ንኣሽቱን ብትምህርቲ ሓርበኝነትን ሃገራዊ ኩርዓትን ቻይና ዝዓበዩ\" ምዃኖምን ሚስ ኮኤትሰ ትገልጽ። \"ስለዚ ናይ ጸረ-ሃገራት ወጻኢን፡ ኣብ ቻይናዊ ባህልን መንነትን ዘተኮረ ቻይናዊ ስምዒትን ተባራዒ ቅይጥ እዩ\" ትብል። ኣብታ ንንጡፋት: ጎስጎስትን ኩሎም ዜጋታትን ሕሉፍ ምመያ ዝግበረላ ቻይና \"ዚጋንዉ\" ምርኡያት ክኾኑ ምኽኣሎም ኣቓልቦ ዝስሕብ እዩ። ካብ ዌይቦን ዊቻትን ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቻይና \"ተኣፋፊ\" ዝኾነ ትሕዝቶታት ብቐጻሊ እዩ ዝእለይ። እቶም ንመስመራት ወግዓዊ መንግስቲ ቻይና ዘወዓውዑ ድምጽታት ሓለፋታት ከም ዝረኽቡ ተዓዘብቲ ይገልጹ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ሃገራውያን መራኸቢ ብዙሓን ነቲ ልጥፎታት ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታቶም ደጊሞም ክልጥፍዎን ንጽሓፋቶም ክሓትምዎን ይረኣዩ። እዞም \"ዚጋንው\" ምስ መንግስቲ ቀጥታዊ ርክብ እንተለዎም ዝፍለጥ የሎን፤ እንተኾነ ግና ገለ ካብኣቶም ኣብ ዓበይቲ መንግስታዊ መደባት ክዕደሙን ብኣመሓደርቲ ክፍለ ሃገራት ናይ ክብሪ ማእርግ ክወሃቡን ተራእዮም ኣለው። መምርሒታት ኢንተርነት ቻይና፡ ተጠቀምቲ ንፕሮፓጋንዳ ውድብ ከወዓውዑ ዘተባብዕ ብምዃኑ፡ ብዙሓት ካብዞም ጸለውቲ: ነዚ ስርዓት ዝምዝምዙ ዘለው ምዃኖም ምስ ዳብልቲንክ ላብ ዝሰርሕ ተንታኒ ሃርፐር ከ ይገልጽ። \"መዝማዚ ክትኸውን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝነጥፍ ጸላዊ ሰብ ክኸውን እንተደልየ፡ ብኸምዚ እየ ኣብዚ ተፈጢሩ ዘሎ መርዛም ሃገራዊ ሃዋሁ ህቡብ ክኸውን ዝኽእል\" ይብል። እዞም ጸለውቲ ወላ'ኳ ብቐጥታ ብመንግስቲ እንተዘይተኸፈሉ፡ እቲ ፕሮፋይል ናቶም ኣብ ሃገራዊ መራኸቢ ብዙሓን ክዋዓዋዕ ከሎ ስሞም ንምዕባይ ይጥቀሙሉ ምህላዎም እቲ ተንታኒ ይገልጽ። ተኸታተልቶም ምስ ዘዕብዩ ድማ ካብ መወዓውዒታት ብዙሕ መኽሰብ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰዓብቲ ዘለዎ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ገጽ፡ ኣብ ዓመት ብኣማኢት ኣሽሓት ዶላር ዝቑጸር ኣታዊ ከምጽእ ከም ዝኽእል መምህር ጋዜጠኝነትን ርክባትን ዶክተር ፋንግ ኬቸንግ ግምቱ ይገልጽ።","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59010921"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ካልኣይ ጨረታ ፍቓድ ኣገልግሎት ቴሌኮም ክተውጽእ እያ","content":"ኢትዮጵያ ካልኣይ ዙር ጨረታ ፍቓድ ቴሌኮም ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ከምእተውጽእ፡ ንኽልተ ሰብመዚ ብምጥቃስ ወኪል ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። እቲ ንጨረታ ዝወጽእ ናይ ኣገልግሎት ፍቓድ ብተንቃሳቓሲ ስልኪ ዝግበር ምትዕድዳግ ዘካትት ከምዝኾነ እውን ተገሊጹ። ኢትዮጵያ ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ እቲ ዓውዲ ንናይ ወጻኢ ትካላት ክፉት ከምእትገብሮ ምስገለጸት፡ ክልተ ፍቓድ ንተሳተፍቲ እቲ ዓውዲ ኣቕሪባ፤ ክልተ ትካላት ድማ ኣብቲ ጨረታ ከምዝሳተፉ ምግላጾም ይዝከር። በዚ መሰረት ናይ ዝተፈላለዩ ኩባንያታት ጥምረት ዝኾነ ዓለም ለኻዊ ምትሕብባር ንኢትዮጵያ ዝተባህለ ትካል ዝለዓለ መጠን ገንዘብ 850 ሚልዮን ዶላር ብምቕራብ ዝተመረጸ ኮይኑ፡ እቲ ካልኣይ ፍቓድ ግን ኣይተውሃበን። እቲ ካልኣይ ፍቓድ ብምኽንያት ዝቐረበ ትሑት ዋጋ ከይተውሃበ ዝተረፈ ኮይኑ፡ ሕዚ ድማ ተመሓይሹ ንካልኣይ ግዘ ቀሪቡ ኣሎ። ዓለም ለኻዊ ኩባንያታት ኣብቲ ጨረታ ዘቕርብዎ ዋጋ ክውስኽ ምእንቲ ለውጢታት ከምዝተገበሩ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ኮምዩኒኬሽን ኢትዮጵያ ባልቻ ሬባ ንሮይተርስ ገሊጹ፡፡ እቲ ዳይሬክተር ከምዝሓበሮ፡ ናይ ሞባይል ኣገልግሎት ገንዘብ እቲ ሓደ ምምሕያሽ እዩ። ዘፈር ውልቂ ባንኪ ዓለም ዝኾነ፡ ዓለም ለኻዊ ኮርፖሬሽን ፋይናንስ፡ ኣማኻሪ ዕድጊት ኮይኑ ከምዘገልግል ኣብ ሚኒስትሪ ገንዘብ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ብሩክ ታየ ምግላጹ እውን ተሓቢሩ፡፡ እቲ ኣማኻሪ፡ ብዙሓት ድልየት ዘለዎም ትካላት ክሳተፉ ከምዝጽበዩ ገሊጹ። ብኬንያዊ ሳፋሪኮም ዝምራሕ ጥምረት፡ ኣብ ፈላማይ ጨረታ ቴሌኮም ኢትዮጵያ ዝተዓወተ ኮይኑ፡ ኣብ ቀረባ ስራሕ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ እዩ። እቲ ዓለም ለኻዊ ምትሕብባር ንኢትዮጵያ ዝተባህለ ጥምረት ኣብቲ ዓውዲ ፍሉጣት ዝኾኑ ትካላት ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ንሳቶም ድማ ሳፋሪኮም፣፣ ቮዳኮም ግሩፕ፣ ቮዳፎን ግሩፕ፣ ሱሚቶሞ ኮርፖሬሽነን ሲዲሲ ግሩፕን እዮም። ካብ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ሓደ ዝኾነ ኢትዮቴሌኮም፡ ካብቶም ኣትረፍቲ ዝበሃሉ ትካላት ሓደ ኮይኑ፡ ምስቶም ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ተመሳሰልቲ ትካላት እንትነጻጸር ግና ትሑት ከምዝኾነ ተንተንቲ እቲ ዓውዲ ይገልጹ፡፡ ኢትዮጵያ፡ ኢትዮቴሌኮም ሓዊሱ ብርኪ ካልኦት ትካላት ልምዓት መንግስቲ ንምሻጥ ዝወሰነት ዘለዋ ዕዳ ንምኽፋል ከምዝኾነ ተንተንቲ ዝገልጹ ኮይኖም፡ ብተወሳኺ ተበጻሕነት ቴሌኮም ንምውሳኽን ኣገልግሎት ንምቅልጣፍን ከምዝኾነ ይጠቕሱ፡፡ ኢትዮቴሌኮም ናይ ኣገልግሎት ፍቓድ ንምሃብ ኣብ ዝሓሰበሉ ክሳተፉ ዝደልዩ ትካላት ድልየቶም ክሕብሩ ኣብ ዝተሓተተሉ 12 ኩባንያታት ቴሌኮም ኣብቲ ዓውዲ ንምስታፍ ድልየት ኣርእዮም ነይሮም፡፡ ኮይኑ ግና ፈረንሳዊ ትካል ኦሬንጅ፣ ሳውዲ ቴሌኮም፣ሊኩውድ ትሌኮምን ናይ ዩናይትድ ዓረብ ኢምሬትስ ኢቲሳላትን ካልኦትን ኣብ ጨረታ ከይተሳተፉ ተሪፎም፡፡ ካልኣይ ተጫረትቲ ዝነበሩ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ኤምቲኤንን መላፍንቱ ኣካል ናይ ቻይና መንግስቲ ኢንቨስትመንት ግሩፕ ዝኾነ ሲልክ ሮድ ፈንድ፡ 600 ሚልን ዶላር ዘቕረቡ ኮይኖም ከይተመረጹ ተሪፎም፡፡ ካብቶም ብኩባንያታት ወጻኢ ዝተሓዙ ክልተ ፍቓዳት ብተወሳኺ ኢትዮቴሌኮም እውን በሩ ንሰብ ሃፍቲ ክፉት ገይሩ ኣሎ፡፡ በዚ መሰረት እቲ ሙሉእ ብሙሉእ ብመንግስቲ ዝውነን ትካል 40 ምኢታዊት ብርኪ ንሰብ ሃብቲ ወጻኢ፣ 5 ምኢታዊት ንኢትዮጵያውያን ዝተረፈ 55 ምኢታዊት ድማ ብመንግስቲ ክተሓዝ ትጽቢት ይግበር፡፡","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58069344"} {"headline":"ናይጄርያ ትዊተር ንዘይተወሰነ እዋን ክትእግዶ ምዃና ኣፍሊጣ","content":"መንግስቲ ናይጀርያ ትዊተር ኣብታ ሃገር ንዘይተወሰነ ግዜ ከወንዝፎ ምዃኑ ሚኒስትር ሓበሬታ ኣፍሊጡ። እቲ ውሳነ “ትዊተር ብተደጋጋሚ ሃለዋት ናይጀርያ ዝፈታተን ንጥፈታት ይካየደሉ ስለ ዘሎ’ዩ\" ተባሂሉ። ትዊተር እቲ ትማሊ ዓርቢ ዝወጽአ መግለጺ “ኣዝዩ ዘሻቕል” ክብል ገሊጽዎ። ትዊተር “ናይ ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሓመድ ቡሃሪ ጽሑፍ ሕግን ስሪትን ትካለይ ዝጠሓሰ እዩ” ብዝብል ካብ ገጽ ትዊተር ምስ ኣለዮ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ኣብ ዘሎ ግዜ መንግስቲ ናይጀርያ ንትዊተር ክእግዶ ምዃኑ ኣፍሊጡ። እንተኾነ መንግስቲ ናይጀርያ ኣብቲ ዝሃቦ መግለጺ ብዛዕባ እቲ ካብ ገጽ ትዊተር ዝተኣለየ ጽሑፍ ፕረዚደንት ቡሃሪ ኣይጠቐሰን። ሚኒስትሪ ሓበሬታ ናይጀርያ ላይ መሓመድ ኣመሪካዊ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ኩባንያ ትዊተር ጽሑፍ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝተኣለየሉ መገዲ “ገጽ ረአ” ክብል ነቒፍዎ ነይሩ። ትዊተር፡ ወዲ 78 ዓመት ፕረዚደንት መሓመድ ቡሃሪ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ሓደ ኣብ 1967-70 ኣቆጻጽራ ኣውሮፓውያን ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ንዝነበረ ኵናት ሓድሕድ ብምጥቃስ “እቶም ሎሚ ጸባይ ዘይገዝኡ ሰባት ብዝርድኦም ቋንቋ” ዝብል ትሕዝቶ ዝነበሮ ጽሑፍ እዩ ካብ ገጹ ኣሊይዎ። ወሃቢ ቃል ትዊተር ኣብቲ ሽዑኡ እዋን “ፕረዚደንት መሓመድ ቡሃሪ ዝጠቕዖ ጽሑፍ ሕግን ስሪትን ትዊተር ዝጻባእ’ዩ” ክብል ኣፍሊጡ ነይሩ። ኣብ ኣፍሪቃ ሓደሽቲ ኣብያተ ጽሕፈት ከምዝኸፍት ዘፍለጠ ትዊተር ናይ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ጎረቤት ሃገር ጋና ክገብር ከም ዝኾነ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ብወግዒ ሓቢሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ብዛዕባ እቲ ናይጀርያ እትሓስቦ ዘላ እገዳ ይምርምሮ ከም ዘሎን እኹል ሓበሬታ ምስ ኣከበ ዕላዊ ከም ዝገብርን ገሊጹ’ሎ። ትዊተር ክሳብ ትማሊ ዓርቢ ምሸት ኣብ ናይጀርያ ይሰርሕ ከም ዘሎ ይግለጽ። መንግስቲ ናይጀርያ እቲ ዝሓስቦ ዘሎ እገዳ ብኸመይ ኣብ መርየት ከም ዘሽርፎን ብዛዕባ እቲ ትዊተር ንናይ ናይጀርያ ሃለዋት ተፈታቲኑ’ዩ ዝበሎ ጉዳይ ዓᎃቕ ሓበሬታ ኣይሃበን። በዓል መዚ ተቖጻጻሪ ፈነወ ሚድያታት ናይጀርያ ብዛዕባ ኣብ ኢንተርኔት መሰረት ገይሮም ዝሰርሑ ትካላት ምጥያስ ማሕበራዊ ሚድያታትን ኣወሃህባ ፍቓድ ዝምልከት ከይዲ ክጅምር ከም ዘለዎ ተነጊርዎ’ሎ። ሓላፊ ኣመነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ናይጀርያ ኦሳይ ኦጂግሆ መንግስቲ ናይጀርያ ኣብ ጉዳይ ትዊተር ኣመልኪቱ ንዘውጽኦ መግለጺ ኮኒንዎ። “እዚ ውሳነ ናይጀርያ ኣብ ዓለም ለኻዊ ጉዳያት ምስ ዝኣተወቶም ኪዳናት ዘይቃዶ ስለ ዝኾነ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ናይጀርያ ነቲ ዝሓስብዎ ዘለዉ ሚድያታት ናይ ምእጋድ ውሳነ ቀልጢፎም ክኽልስዎ ንጽውዕ” ክብል እቲ ሓላፊ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57368844"} {"headline":"ኦንላይን ዕዳጋ ኣማዞን ናይ 750 ሽሕ ሰራሕተኛታቱ ክፍሊት ትምህርቲ ኮሌጅ ክሽፍን ቃል ኣትዩ","content":"ኣብ ዕዳጋ ኦንላይን ዝለዓለ ስም ዘለዎ ኣማዞን ናይ 750,000 ሰራሕተኛታቱ ክፍሊት ትምህርቲ ኮሌጅ ክሽፍን ምዃኑ ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ሰፊሕ ሕጽረት ሰራሕተኛታት ስለዘጋጠሞ ደለይቲ ስራሕ ንምስሓብን ዘለዉ ምሰኡ ክጸንሑን ብምሕሳብ’ዩ ናብዚ ውሳነ በጺሑ። ነዚ ዝኸውን 1.2 ቢልዮን ዶላር ከምዝመደበ ዝሓበረ ኣማዞን፡ ሰራሕተኛታቱ ኣብቲ ትካል ክሳብ ዝጸንሑሉ እዋን ነቲ ሓገዝ ክረኽቡ ምዃኖም ገሊጹ። ቅድም ክብል’ውን ዋልማርትን ታርጌትን ዝባሃሉ ዓበይቲ ትካላት ተመሳሳሊ ዕድል ንሰራሕተኛታቶም ሂቦም ነይሮም። ዋልማርት ነቶም ብሰዓታት እናተኸፈሎም ዝሰርሑ ሰራሕተኛታቱ ናይ ትምህርትን መጻሕፍትን ወጻእታቶም ከምዝሽፍንን በዚ ድማ 1.5 ሚልዮን ሰራሕተኛታቱ ተራባሕቲ ክኾኑ ከምዝኽእሉን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ወግዓዊ ምግባሩ ይዝከር። ታርጌት ብወገኑ፡ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከቡ መደብራቱ ናይ ዝሰርሑ ልዕሊ 340,000 ሰራሕተኛታቱ ነጻ ዕድል ትምህርቲ ቀዳማይ ዲግሪ ከምዝህብ ኣፍሊጡ። ኣማዞን ብዘይካ ኣብ ኮሌጃት ትምህርቶም ንዝከታተሉ ሰራሕተኛታቱ ዝሽፍኖ ወጻኢ፤ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህረቲ ንዝመሃሩን ቋንቋ እንግሊዝኛ ንዝከታተሉን ሰራሕተኛታቱ’ውን ተመሳሳሊ ክፍሊተር ከምዝፍጽም ኣፍሊጡ’ሎ። ሓደ ካብ ሓለፍቲ እቲ ትካል ዝኾነ ዴቪድ ክላርክ “ኣማዞን ኣብዚ እዋን ኣብ ኣሜሪካ ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ዝፈጠረ ትካል’ዩ፤ ንኣባላትና ከምዚ ዝበለ ዕድል ክንህብ ምኽኣልና ኣብዛ ሃገር ኣብ ዝርከቡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝግመቱ ስድራ ሰፊሕ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል’ዩ” ኢሉ።","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58536023"} {"headline":"ካቢ ላሜ፡ ንብዙሓት ዘዘራርብ ዘሎ ኮኾብ ቲክቶክ መን'ዩ?","content":"ካቢ ላሜ ኣብ ቲክቶክ ብብዝሒ ሰዓብቲ ንቻርሊ ዲ'ኣመልዮ ስዒቡ ኣብ ካልኣይ ታርታ ተሰሪዑ ዝርከብ ብዓል ዝና እዩ። ኣብዚ እዋን እቲ ናቱ ናይ ቲክቶክ ገጽ፡ ልዕሊ 100 ሚልዮን ሰዓብቲ ክህልዎ እንከሎ ልዕሊ 1.3 ቢልዮን ላይክ ረኺቡ ኣሎ። ግና ንሱ መን'ዩ፡ ንምንታይ ክንድዚ ህቡብ ኮይኑ? ኣብ ሴነጋል ዝተወለደ ካባን ላሜ ኣብዚ እዋን ኣብ ዓዲ ጥልያን እዩ ዝነብር። ወዲ 21 ዓመት እዩ። ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይስ ኣብ መጋቢት 2020 ካብ ናይ ፋብሪካ ስርሑ ደው ምስ በለ፡ ካቢ ናብ እንዳ ስድርኡ ኣምሪሑ። ካልእ ስራሕ ክደልይ እናተጸበይዎ፡ ንሱ ግና ናብ ቲክቶክ ብምጽምባር መዓልታዊ ቪድዮታት ክልጥፍ ጀሚሩ። ኣብቲ እዋን ኣብቲ ናይ ቲክቶክ ገጹ ዘስሕቅ ቪድዮታት ክልጥፍ ከሎ ኣብ ሓጺር ግዜ ስሙ ኣብ መላእ ዓለም ክገንን'ዩ ዝብል ትጽቢት ኣይነበሮን። እቶም ዝልጥፎም ቪድዮታት ሰባት ንቀሊል ነገራት ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት ከመይ ጌሮም ሕልኽልኽ ከም ዘብልዎ ዘርእዩ እዮም። ካብ ዙርያ ዓለም ሰባት ንቪድዮታቱ ከም ዝፈትውዎ ዝዛረብ ካቢ፡ እቲ ገጹ ዝርአ ኣገላልጻ ሰባት ከም ዘስሕቖምን ዝኾነ ዘረባ ስለዘይብሉ ንኹሉ ብማዕረ ከም ዘስሕቕን ይገልጽ። ካቢ ኩዕሶ እግሪ ኣዝዩ ይፈቱ እዩ፤ ኣብቲ ቪድዮታቱ ብዙሕ ግዜ ማልያታት ናይ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ወድዩ ይርአ። እታ ብልጽቲ ጋንትኡ ግና ጁቬንቱስ እያ። ኣብዚ እዋን ኣብ ቲክቶክ ዝበዝሑ ሰዓብቲ ዘለዎ ቻርሊ ዲ'ኣመልዮ እኳ እንተኾነት ካቢ ክቕድማ ከም ዝኽእል ዘርእዩ ምልክታት ኣለው። ኣብዚ ቀረባ እዋናት ህቡብነት ካቢ ኣዝዩ ገኒኑ'ዩ። ኣብ ዝሓለፈ 30 መዓልትታት ጥራሕ 21.9 ሚልዮን ሓደስቲ ሰዓብቲ ከም ዝረኸበ ንማሕበራዊ መራኸቢታት ዝከታተል መርበብ 'ሶሻል ብሌድ' ይገልጽ። በንጻሩ ቻርሊ ኣብ ዝሓለፈ 30 መዓልትታት 2.6 ሚልዮን ሓደስቲ ሰዓብቲ እያ ረኺባ። ስለዚ ህቡብነት ካቢ ከምዚ እንተቐጺሉ፡ ኣብ ቲክቶክ ዝበዝሑ ሰዓብቲ ዘለዎ ሰብ ክኸውን እዩ።","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58242906"} {"headline":"ፔጋሰስ፡ ንመንግስታት ዝተሸጠ ናይ መሰለዪ ሶፍትዌር 'ንነጠፍቲ ዒላማ ይገብር ኣሎ'","content":"ሓደ ትካል ስለያ እስራኤል ንምልካዊ መንግስትታት ዝሸጦ ናይ መሰለዪ ሶፍትዌር (ስፓይዌር) ኣብ ዙርያ ዓለም ንዝርከቡ ተሓለቕቲ መሰላት፡ ጋዜጠኛታትን ጠበቓታትን ዒላማ ይገብር ምህላው ጸብጻባት ገሊጾም። እቲ ኤንኤስኦ ዝተባህለ ትካል፡ ቁጽሪ ቴለፎን ክሳዕ 50,000 ዝበጽሑ ፍሉጣት ሰባት ክትትል ክገብር ምጽንሑ ዝለሓዀ ሓበሬታ ኣረዲኡ። እቲ ዝርዝር ካበይ ከም ዝመጸአ ወይ ኣብቲ ዝተጠለፈ ስልክታት በዓል መን ከም ዘለውን ኣይተገለጸን። ኤንኤስኦ ግና ዝኾነ ኣበሳ ከም ዘይብሉ ገሊጹ። እቲ ሶፍትዌር ኣንጻር ገበነኛታትን ግብረሽበራውያንን ዝዓለመ ከም ዝነበረን፤ ንሰራዊት፡ ኣፈጸምቲ ሕግን ትካላት ስለያን ብመዳይ ሰብኣዊ መሰላት ጽቡቕ ስም ኣብ ዘለወን ሃገራት ጥራይ ይጥቀምሉ ምንባሮምን ገሊጹ። እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ብዘይመንግስታዊ ማሕበር 'ፎርቢድን ስቶርይስ' ከምኡ'ውን ብተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብዝተገብረ መርመራ ዝተረኽበ ውጽኢት \"ግጉይ ግምታትን ጭብጢ ዘይብሉ ክልስ ሓሳብን ዝመልኦ\" እዩ ኢሉ። ንምጥቃም እቲ ፔጋሰስ ዝተባህለ ሶፍትዌር ዝምልከት ክሲ፡ ዋሽንግተን ፖስት፡ ዘ ጋርድያን፡ ለ ሞንድን ካልኦት 14 ማእከናት ዜናን ኣብ ናይ ሰንበት ሕታማቶም ኣውጺኦምዎ ኣለው። ፔጋሰስ ንኣይፎን ከምኡ'ውን ንኣንድሮይድ ዝዓይነተን ቴለፎናት ዘጥቅዕ ኮይኑ፡ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ፡ ስእሊ ኢመይልን ዝከታተል ናይ ቴለፎን ጻውዒት ዝቐድሕን ብሕቡእ ማይክሮፎን ዝኸፍትን መተግበሪ እዩ። ኣብ ገለ ኣብቲ ዝርዝር ተካቲቶም ዘለው ተለፎናት ኣብ ዝተገበረ ፎረንሲካዊ መርመራታት ፍርቆም ናይቲ ስፓይዌር ኣሰራት ተረኺብዎም እዩ። ከባቢ 180 ዝኾኑ ጋዜጠኛታት ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ፡ ሲኤንኤን፡ ኒውዮርክ ታየምስ፡ ኣልጀዚራ ኣብቲ ዝርዝር ከም ዘለው ማእከናት ዜና ጸብጺቦም። ቁጽሪ ቴለፎናት ምስቲ ዝተቐትለ ስዑድያዊ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊን ቅርበት ዝነበረን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ኣብቲ ዝርዝር ተካቲቱ ኣሎ። ብዘይካ'ዚ ኣብቲ ዝርዝር መራሕቲ ሃገራት፡ ኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብ ሃገራት ዓረብ ከምኡ'ውን ኣካየድቲ ስራሕ ዓበይቲ ትካላት ምህላዎም ይግለጽ።","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57890240"} {"headline":"ቱርኪ፡ ንልኡኽ ኣሜሪካ ሓዊሱ 10 ኣምባሳደራት ካብ ሃገራ ንምስጓግ ትንቀሳቐስ ኣላ","content":"ፕረዝደንት ቱርኪ ረሲጵ ጠይብ ኤርዶጋን፡ ኣምባሳደራት ኣሜሪካ፣ ጀርመንን ፈረንሳይን ሓዊሱ 10 ኣምባሳደራት ተቐባልነት ዘይብሎም ልኡኻት (ፐርሶና ናን ግራታ) ክበሃሉ ኣዚዙ። ልኡኻት እተን ሃገራት፡ ብመንግስቲ ቱርኪ ንዝተኣሰረ ነጣፋይ ዖስማን ካቫላ ብህፁፅ ክፍታሕ መግለፂ ምውፅኦም ስዒቡ’ዩ፡ ፕረዝደንት እታ ሃገር ነዚ ውሳነ ወሲኑ ዘሎ። ነጣፋይ ዖስማን ካቫላ፡ ሰልፍታት ተቓውሞ ብምውሃድን ብፈተነ ዕልዋ መንግስትን ብዝብል ክሲ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ተኣሲሩ ይርከብ፤ እንተኾነ በቲ ዝቐረበሉ ክሲ ብቤት ፍርዲ ገበነኛ ኣይተብሃለን። ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ዝተልኣኽሉ ሃገር ተቐባልነት ዘይብሎም (ፐርሶና ንን ግራታ) እንድሕር ተባሂሎም፡ ናይ ዲፕሎማሰኛታት መሰሎም ተኣልዩ፡ ካብ ሃገር ክስጎጉ ወይድማ ልኡኻት ዝብል ደረጅኦም ይእለ። ኣብዚ ሰሙን ኣብ ቱርኪ ዝርከቡ ኤምባሲታት ኣሜሪካ፣ ካናዳ፣ ፈረንሳይ፣ ፊንላንድ፣ ዴንማርክ ፣ ጀርመን፣ ኔዘርላንድስ፣ ኒውዝላንድ፣ ኖርወይን ስዊድንን፡ እቲ ንዓመታት ብመንግስቲ ቱርኪ ዝተኣሰረ ነጣፋይ ዖስማን ካቫላ ክፍታሕ መግለፂ ኣውፅዮም። ካብዘን ሃገራት እተን ሸውዓተ ኣብ ኔቶ መሻርኽቲ ቱርኪ እየን። ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝከታተል ቤት ምኽሪ ኣውሮጳ፡ ጉዳይ ነጣፋይ ካቫላ ኣብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ ጉዳያት ኣውሮጳ ክሳብ ዝረአ፡ ንካቫላ ክትፈትሖ ዝተመሓላለፈ ውሳነ ተግባራዊ ክትገብር፡ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ሂቡ ኣሎ። ፕረዝደንት ቱርኪ ረሲፕ ጠይጵ ኤርዶጋን፡ ኤስኪሴሃይር ኣብ ዝበሃል ከባቢ ንዝተኣከበ ህዝቢ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ “ናብ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ቱርኪ ኬዶም፡ ትእዛዝ ንምሃብ ክደፍሩ ኣይግባእን። እንታይ ክግበር ከምዘለዎ ንሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ትእዛዝ ሂበ ኣለኹ” ኢሉ። እንተኾነ፡ ስዒቡ እንታይ እዩ ክግበር ዝብል ዛጊድ ግልፂ ኣይኮነን ዘሎ። መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር፡ እቲ ፕረዝደንት፡ ንቱርኪ ክግንዘብዋ ወይ ድማ ካብታ ሃገር ክወፅኡ ይግባእ ምባሉ የቃልሓ ኣለዋ። ንትእዛዝ እቲ ፕረዝደንት ስዒቡ፡ ዛጊድ ካብቶም ኣምባሳደራት ዝተሰምዐ መልሲ እኳ እንተዘይሃለወ፡ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ጀርመን፡ ኣብ ጉዳይ ስጉምቲ መንግስቲ ቱርኪ፡ ኣብ ሞንጎ ዝምልከተን ሃገራት “ፅዑቕ ምይይጥ” ይካየድ ከምዘሎ ሓቢሩ። ኣብዚ ጉዳይ ብወገን ሰብመዚ ቱርኪ ዛጊድ ብወግዒ ዝወፅአ መግለፂ የለን። ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኖርወይ፡ ኣምባሳደር ሃገሩ “ካብ ሃገር ክሳብ ምብራር ዘብፅሕ ዝፈፀሞ ነገር የለን” ክብል ንሮይተርስ ገሊፁ። ኣምባሳደራት እተን ሃገራት፡ መንግስቲ ቱርኪ ኣብ ከይዲ ፍርዲ ነጣፋይ ካቫላ “ዝተናውሐ ምጉታት” ብምንቃፍ፡ እዚ ድማ ኣብ ስርዓት ፍትሒ ቱርኪ፡ ንምኽባር ዲሞክራሲ፣ ልዕልነት ሕግን ግልፅነትን ይፀልዎ እዩ” ኢሎም። ቱርኪ ንነጣፋይ ዖስማን ካቫላ ብህፁፅ ክትፈትሖ ድማ ፀዊዖም። ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ንዓመታት ዝተኣሰረ ካቫላ ሃገራዊ ተቓውሞ ክካየድ ኣዋዲድካ ብዝብል ንዝቐረበሉ ክሲ ናፃ እኳ እንተበሎ፡ ኣብ 2016 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዕልዋ መንግስቲ ክተካይድ ፈቲንካ ብዝብል ተኣሲሩ ይርከብ። ካቫላ ግን ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ኣይቕበሎን። ጉዳይ ካቫላ፡ ኣብ ሞንጎ ቱርክን ምዕራባውያን መሻርኽታን ወጥሪ ኣዕሲሉ ይርከብ። መንግስቲ ቱርኪ ንዝተቓውሞ 'ገበን ፈፂሙ' ብዝብል ብምእሳር ልዕልነት ሕጊ ጥሒሱ ዝብል ክስታት ይቐርበሉ። ናይዚ ሓደ ኣብነት ድማ ነጣፋይ ካቫላ እዩ።","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59027287"} {"headline":"ዶናልድ ትራምፕ ‘ትሩዝ’ ዝብል ስያመ ዘለዎ ሓድሽ ማሕበራዊ ሚድያ ክኸፍት ምዃኑ ኣፍሊጡ","content":"ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ‘ትሩዝ ሶሻል’ ዝብል ስያመ ዘለዎ ሓድሽ ማሕበራዊ መራኸቢ ናይ ምኽፋት ውጥን ከምዘለዎ ዕላዊ ገይሩ። እቲ ሓድሽ መድረኽ ማሕበራዊ መራኸቢ “ኣንጻር እቶም ዓፈንቲ ኩባንያታት ቴክኖኦጂ” ዝበሎም [ፌስቡክን ትዊተርን] ደው ከምዝብል ተዛሪቡ። ኣብ ኣሜሪካ ንዝቃወሙ ድምጽታት ብምዕፋን ድማ ይኸሶም። ንሱ ዝመርሖ ‘ትራምፕ ሚድያ ኤንድ ቴክኖሎጂ ግሩፕ’ ዝተበሃለ ትካል፡ ቪድዮታት ዝቐርቡሉ ኣማራጺ’ውን ንምምጻእ ወጢኑ’ሎ። ትራምፕ፡ ደገፍቱ ኣብ ህንጻ ኮንግረስ ኣሜሪካ ‘ካፒቶል’ ናዕቢ ምውልዖም ስዒቡ ካብ ከም ትዊተርን ፌስቡክን ዝበሉ ማሕበራዊ መራኸብታት ከምዝተኣገደ ይዝከር። ካብቲ እዋን ጀሚሩ ድማ ተወዳዳሪ ዝኾነ ማሕበራዊ መራኸቢ ንምጅማር ውጥን ከምዘለዎም ንሱን ኣማኸርቱን ክገልጹ ጸኒሖም። ቅድም ክብል ‘ፍሮም ዘ ዴስክ ኦፍ ዶናልድ ትራምፕ’ ብዝብል ጽሑፋት ዝቐርቡሉ መርበብ ሓበሬታ ምኽፋቱ ይፍለጥ። እንተኾነ ንሓደ ወርሒ ምስጸንሐ ብቐዋምነት ከምዝተዓጸወ ይዝከር። ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣማኸርቱ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ “ነቲ እነካይዶን ንሰርሓሉን ዘለና ጻዕርታት ከም ደጋፊ እዩ ነይሩ” ክብል’ዩ ገሊጹ። እቲ ትራምፕ ዝመርሖ ትካል ሚድያን ቴክኖሎጂን ዝኸፍቶ ‘ትሩዝ ሶሻል’ ዝብል ስያመ ዘለዎ ማሕበራዊ መራኸቢ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጀሚሩ ንተጠቀምቲ መጸዋዕታ ከቕርብ’ዩ። ትራምፕ “ጣሊባን ኣብ ትዊተር ብሰፊሑ ተጠቃሚ ኣብ ዝኾነሉን ምርጫኹም ዝነበረ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ግን ድምጹ ኣብ ዝዕፈነሉን ዓለም ኢና ንነብር ዘለና” ክብል ጽሒፉ’ሎ። ትራምፕ ሓድሽ ማሕበራዊ መራኸቢ ክኸፍት ምዃኑ ወግዓዊ ዝገበረ፤ ሓደ ካብ ሓገዝቱ ዝነበረ ጃሶን ሚለር ‘ጌተር’ ዝተበሃለ ኩባንያ ማሕበራዊ መራኻቢ ድሕሪ ምኽፋቱ እዩ።","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58991506"} {"headline":"ዊንታና ይልማ፡ ካብ ተኸታታሊት ዩቲዩብ ናብ ናይ ባዕላ መደባት ምድላው","content":"ዊንታና ወርሓዊ ካብ ዩትዩብ ክሳዕ 30 ሽሕ ብር ኣታዊ ትረክብ። ንምዃኑ መንእሰያት ኣብ ዩትዩብ ካብ ተዓዛብነት ናቶም መደባት ናብ ምድላው ዝደረኾም ኣጋጣሚ እንታይ ይመስል?","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58446091"} {"headline":"ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ትዊተር፣ ጉግልን ፌስቡክን ክሲ መስሪቱ","content":"ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ግዳይ ምምያ [‘ሳንሱር’] ኮይነ ብምባል ኣብ ልዕሊ ጉግል፣ ትዊተርን ፌስቡክን ክሲ መስሪቱ። እቲ ዝተመስተረ ክሲ ንዋና ኣፈጸምቲ ስራሕ ሰለስቲኤን ኩባንያታት ዒላማ ከምዝገበረ ተፈሊጡ’ሎ። ንሱ ብድሕሪ’ቲ ደገፍቱ ዝመርሕዎ ኣብ ህንጻ መእከቢ ኮንግረስ [‘ካፒቶል’] ዝተኻየደ ናዕቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ስግኣት ፈጢሩ ብዝብል ካብቶም ማሕበራዊ መራኸብታት ከምዝተኣገደ ይዝከር። ትራምፕ ነቲ ዘቕረቦ ክሲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፤ ኣብ ልዕሊ እቶም ማሕበራዊ መራኸብታትን ሰልፊ ዴሞክራትን ኣባጭዩ። “ኣካውንት ምዕጻው [ብሎክ ምግባር] ደው ክብል፣ ሰባት ስቕ ክብሉ ምግባር ክቋረጽ ከምኡ’ውን ኣብ ጸሊም መዝገብ ምስፋር፣ ምፍራስን ምስራዝን ከብቅዕ ንሓትት” ኢሉ። ምምያ ደው ክብል ዘገድድ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ክወሃቦ’ውን ኣብ ዘቕረቦ ክሲ ሓቲቱ’ሎ። “ንፕረዚደንት ክእግዱ እንተኺኢሎም ኣብ ልዕሊ ማንም ክፍጽምዎ ዝዓግቶም ነገር የለን” ክብል ተዛሪቡ ኣብ መግለጺኡ። ብዶናልድ ትራምፕ ክሲ ዝቐረበሎም ኩባንያታት ግን ዛጊድ ነቲ ክሲ ብዝምልከት ዝሃብዎ ግብረመልሲ የለን። ንሱ ግን ነቲ ካብ ትዊተር ክእገድ ምኽንያት ዝኾነ መልእኽቲ “ኣዝዩ ብፍቕሪ ዝተመልአ ሓሳብ’ዩ ነይሩ” ክብል ገሊጽዎ። ትራምፕ “ናዕቢ ብምድጋፍ” ብዝብል ክእገድ ዝኸኣለሉ ምኽንያት፤ ነቲ ኣብ ካፒቶል ዝተኻየደ ናዕቢ ስዒቡ ብድሕሪ ክልተ መዓልቲ ዝጠቅዖም መልእክትታት ምዃኖም ትዊተር ቅድም ክብል ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ወግዓዊ ገይሩ ነይሩ። እቲ ፕረዚደንት ነበር ምርጫ ኣሜሪካ ተጭበርቢሩ ብዝብል ብተደጋጋሚ ተቓውሞታት ምስኣስመዐ ናዕቢ ከምዝተወለዐ ይዝከር። ኣብ ኮንግረስ ዝርከቡ ኣባላት ሪፐብሊካን ዝኾኑ ፈተውቲ ትራምፕ “ዓበይቲ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ንምቁጽጻር” ውጥን ከምዘለዎም ትማሊ ረቡዕ ኣፍሊጦም ኣለዉ። ክሲ ትራምፕ ብሰብሞያ ሕጊ ተነቒፉ’ሎ። ምስ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ብዝተሓሓዝ ሕቶ ብዘልዕሉ ተንተንቲ ክሲ ዝቐርበሎም ኩባንያታት እውን ኣብ ትሕዝቶታት ናይ ምውሳን ሕጋዊ ከለላ ከምዘለዎም ኣረዲኦም።","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57761195"} {"headline":"ኢንስታግራም ብምጥቃም ካብ ሃብታማትን ፍሉጣን ሰባትን ዝጉሕሉ ‘ኣክሮባት ሰረቕቲ’ ሚላን","content":"ኣብ ሚላኖ ኢጣልያ ዝርከብ ብ ‘ኣክሮባት ሰረቕቲ’ ዝፍለጥ ጉጅለ ጉሓላሉ፡ ገጻት ኢንስታግራም ናይ ሃብታማትን ፍሉጣት ሰባትን እታ ከተማ ድሕሪ ምክትታል፡ ንመንበሪ ገዝኦም ከም ዝዘምቱ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣቃሊዖም። እቲ ጉጅለ፡ መእተዊ ሃጓፋት ንምርካብ፡ ፍሉጣት ሰባት ዝዝርግሕዎ ስእልታት ይምርምር። እቲ ስእሊ ኣበይ ከም ዝተወስደ ሕላገት ዝግበረሉ ስእሊ እቶም ሰባት ኣበይ ከም ዝነብሩ፡ መዓስ ይኣትውን ይወጹን ኣብ ምፍላጥ ይሕግዞም። ሰብ መዚ ዝዘርግሕዎ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ እቶም ሰረቕቲ ህንጻታት እናሓኾሩ የርኢ። ጋዜጠኛ ዲሌታ ሊኦታን ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ኣችራፍ ሃኪሚን ካብ ግዳያት እቲ ጉጅለ እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ሓደ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ክኣቱ እንከሎ፤ ካልኦት ሰለስተ ድማ ብረቡዕ ተታሒዞም ኣለው። ሓደ ካብኣቶም ወዲ 17 ዓመት ብምዃኑ ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ቤትፍርዲ ክቐርብ እዩ። እቲ ናይ ፈለማ ስርቂ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 6 ሰነ ዝተፈጸመ ኮይኑ: እቲ ጉጅለ ኣስታት 150,000 ዶላር ዘውጽእ ስልማት፡ ቦርሳታትን ናይ ኢድ ሰዓታትን ዝርከብዎ ንብረት ካብ ዲሊታ ሰሪቑ። ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ታሕሳስ፡ ተመሳሳሊ መገዲ ብምጥቃም ናብ መንበሪ ገዛ ኢሎኖራ ኢንካርዶና ሰቢሮም ከም ዝኣተው ተፈሊጡ። እቶም ሰረቕቲ በቲ ህንጻታት ናይ ምሕኳር ዘለዎም ፍሉይ ክእለት እዮም ‘ኣክሮባት ሰረቕቲ’ ዝብል ቅጽል ተዋሂቦም። እቶም ሰረቕቲ ኪንዮ እቲ ስእሊ ኣበይ ከም ዝተስኣለ ዝነግር ሓበሬታ፡ እቲ ገዛ እንታይ ዓይነት መስኮት ከም ዘለዎ እውን ካብቲ ኣብ ኢንሰታግራም ዝልጠፍ ስእልታት ብምምርማር ምድላዋቶም ከም ዝውጥኑ ፖሊስ ይሕብር። ኣብቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝፈጸምዎ ስርቂ፡ ሓደ ሰብ ነቲ ህንጻ እናሓኾረን ካልኦት ኣብ ታሕቲ ኮይኖም እናተጸበይዎን፡ ካብ ናይ ጸጥታ ካሜራ ዝተረኽበ ተንቀሳቓሲ ምስሊ የርኢ። ካልኦት ክልተ ብጾቱ ከኣ ኣብ ውሽጢ እቲ ገዛ ኮይኖም ይጽበይዎ ከም ዝነበሩ ኣኽባር ሕጊ ፍራንቸስካ ክሩፒ ንጋዜጠኛታት ሓቢራ።","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56040520"} {"headline":"ትዊተር: ተጠቀምቱ ንካልኦት ርእይቶታት ቅድሚ ምጽሓፎም ደጊሞም ክሓስብሉ ኣዘኻኺሩ","content":"ማሕበራዊ መራኸቢ ትዊተር ተጠቀምቲ ኣብ ናይ ካልኦት ሰባት ኣካውንት “ጉዳኢ ዝኾነን መጥቃዕታውን” ርእይቶ ቕድሚ ምሃቦም ነቲ ሓሳቦም ክፍትሹን ክኽልስዎን መዘኻኸሪ ምልኣኽ ክጅምር’ዩ። ትዊትር ብሰንኪ ገለ ኣጥቃዓይ ባህርያት ዘለዎም ተጠቀምቲ ተደጋጋሚ ነቐፌታታት ክበጽሖ ጸኒሑ’ሎ። እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ከምዝሓበሮ ንፈተነ ዝለኣኾም መዘኻኸሪ መልእክትታት ነቶም ዝጸሓፉ ዘይእሩማት ወይ ኣጥቃዕቲ ርእይቶታት ክንክዩ ኪኢሎም’ዮም። ነቶም መዘኻኸሪ መልእኽትታት ድማ ብኣፕልን ኣንድሮይድን ኣቢሎም ትዊተር ናብ ዝጥቀሙ ናይ እንግሊዝኛ ኣካውንትታት ክዝርግሕ ምዃኑ ትማሊ ረቡዕ ወግዓዊ ገይሩ። ንፈተነ ዝተልኣኸ መዘኻኸሪ መልእኽትታት፡ 34 ሚኢታዊት ሰባት ክልእኽዎ ንዝሓሰቡ መልእኽቲ\/ርእይቶ ክግምግሙን ሓሲቦም ንኽውስኑን ከምዝደፋፍኦም ትዊተር ሓቢሩ። ኣብ ትዊተር መሓዛኸ ምስ ዝኾነ ተጠቃሚ ምጽርራፍ ግን ዝተረፈ ኣይመስልን። ትዊተር ከምዝበሎ እቲ መዘኻኸሪ ነቲ ኣብ ሞንጎ ትዊት ዝገበረ ኣካውንትን መልሲ ዝጽሕፍ ተጠቃምን ንዝህሉ ብህርያት ርክብ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። “ክልተ ኣካውንታት ነንባዓሎም ዝሰዓዓቡን ብቐጻሊ ዝጸሓሓፉን እንተኾይኖም ኣብ ሞንጎኦም ክህሉ ኣብ ዝግባእ ዓይነት ርክብ ብዝምልከት ዝሓሸ ምርድዳእ ክህልወሉ ዝኽእል ዕድል ዝለዓለ እዩ” ክብል ትዊተር ኣብሪሁ። ንባህርያት ተጠቀምቲ ዒላማ ዝገበሩ ማሕበራዊ መራኸብታት ዝተፈላለዩ መድረኻት ቴክኖሎጂ ማሕበራዊ ርክባት ብፍላይ ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ ንመጥቃዕታዊ ትሕዝቶታት፣ ዓመጽን ምግፋዕን ብከመይ ክቆጻጸርዎም ከምዝኽእሉ ዘጨነቖም ጉዳይ ኮይኑ’ሎ። ትዊተር ካብ ጥሪ ክሳብ ሰነ 2020 ኣብ ዝነበረ እዋን ጥራይ ብ 1̈.9 ሚልዮን ኣካውንታት ንዝተጠቅዑ መጥቃዕታዊ ትሕዝቶታት ክኣልይ ከሎ፤ ሕግታተይ ጥሒሶም ንዝበሎም 925,700 ኣካውንታት ከኣ ዓጽዩ። ጉዳይ ምርመራ ትሕቶታት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሰበስልጣን ንዝውሰዱ ስጉምትታት ኣመልኪቶም ዝለዓሉ ሓሳባት ኣካታዕቲ ኮይኖም ይርከቡ። ጉዳይ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብዚ ብቐዳምነት ይጥቀስ። ትራምፕ ነቲ ብ 6 ጥሪ 2021 ኣብ ካፒቶል ሂል ዝተወለዐ ጎንጺ ስዒቡ ካብ ትዊተር፣ ፌስቡክን ካልኦት ማሕበራዊ መራኸብታትን ከምዝተኣገደ ይዝከር። ብዙሓት ወሃብቲ ርእይቶ ብኦንላይን ኣብ ዝፍጸሙ ዓመጽን ዝርግሐ ስኑዕ ሓበሬታን ክትትል ክግበር ከምዘለዎ ይሕብሩ። ትራምፕ ካብቶም ማሕበራዊ መራኸብታት ዝተኣገደሉ መገዲ ከም ስጉምቲ ፖለቲካዊ ምምያ ከምዝኾነ ዝገልጹ’ውን ኣለዉ።","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57007215"} {"headline":"ፌስቡክ፡ ኣውስትራልያውያን ተጠቀምቱ ዜና ከይርእዩን ከየካፍሉን ኣጊዱ","content":"ፌስቡክ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከቡ ተጠቀምቱ፡ ዜና ከም ዘይርእዩ ከምኡ'ውን ናብ ካልእ ሰብ ከም ዘየካፍሉ ምግባሩ ኣፍሊጡ። እቲ ስጉምቲ ግብረመልሲ ናይቲ ዓበይቲ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ኣብ መድረኻቶም ንዝዝርጋሕ ዜናዊ ትሕዝቶታት ክኸፍሉ ዝጠልብ ዝረቐቐ ሕጊ ምዃኑ ይግለጽ። ሎሚ ንጉሆ ኣውስትራልያውያን ፌስቡክ ኣብ ዝኸፈትሉ፡ ናይ ውሽጢ ሃገርን ናይ ዓለምለኻውን ዜና ዝዝርግሓ ገጻት ክረኽብወን ኣይከኣሉን። ብርክት ዝበሉ፡ መንግስታዊ ናይ ጥዕናን ህጹጽ ሓበሬታን ገጻት'ውን ተኣጊዶም ዝነበሩ ኮይኖም፤ ፌስቡክ ብጌጋ ዝተገብረ ምዃኑ ሓቢሩ። ካብ'ታ ሃገር ወጻኢ'ውን ነቶም ናይ ኣውስትራልያ ማእከናት ዜና ምክፋት ዘይከኣል ኮይኑ ኣሎ። መንግስቲ ኣውስትራልያ እቲ ስጉምቲ \"ንገጅፍ ሓይሊ ዕዳጋ እዞም ዓርሞሸሽ ማሕበራዊ ትካላት\" ዘነጻጸረ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ብጽኑዕ ኮኒንዎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ከባቢ 17 ሚልዮን ኣውስትራልያውያን ንመርበብ እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ከም ዝርእዩ ክግለጽ እንከሎ፤ እቲ እገዳ \"ዓቢይ ማሕበረሰባዊ ጽልዋ\" ከም ዘስዓበ ሚኒስተር ፋይናንስ እታ ሃገር ጆሽ ፍሪደንበርግ ሓቢሩ። መንግስቲ ነቲ ሕጊ ንምጽዳቕ ኣንቂዱ ምህላው ዝገለጸ እቲ ሚኒስተር \"[ፌስቡክ] ኣብ ኣውስትራልያ ክህልው ድልየትና እዩ፤ እንተኾነ ግና እቲ ሎሚ ዝፈጸምዎ ተግባር ዘየድልይን ጌጋን እዩ\" ኢሉ። ጉግልን ፌስቡክን እቲ ሕጊ ንኣገባብ ኣሰራርሓ ኢንተርነት ዘየንጸባርቕን ንመድረኻቶም ርትዓዊ ብዘይኾነ መገዲ \"ዝቐጽዕ\" ምዃኑ ብምግላጽ ክቃለሱዎ ጸኒሖም ኣለው። እንተኾነ ግና፡ ጉግል ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ምስ ገለ ትካላት ሚድያ ኣውስትራልያ ናይ ክፍሊት ውዕላት ምኽታሙ ተገሊጹ። ፌስቡክ ስለምንታይ እዩ ነቲ ስጉምቲ ወሲዱ? ተቖጻጻሪ መራኸቢ ብዙሓን ኣውስራልያ፡ እቲ ዓውዲ ንትካላት ቴክኖሎጅን መራኸቢ ብዙሓንን ብማዕረ ዝተደላደለ ባይታ ክህልው ይደልይ። በዚ ድማ እዩ ትካላት ቴክኖሎጂ፡ ንጸብጻብ ትካላት ሚድያ ኣብ ገጻቶም ከስፍርዎ እንተደልዮም ክፍሊት ክፍጽሙ ዘገድድ ሕጊ ዝረቀቐ። ፌስቡክ ብወገኑ፡ ጸብጻብ መራኸቢ ብዙሓን ተበጻሒ ክኸውን ዘኽእል መገዲ ስለ ዝዘርጋሕና ክንከፍል ክንሕተት ግቡእ ኣይኮነን ብምባል ይምጉት። ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከቡ ከም ኤቢሲ ከምኡውን ሰዲኒ ሞርኒን ሄራልድ ዝኣመሰሉ መራኸቢ ብዙሓን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰዓብቲ ኣለወን። ኣብዚ እዋን ግና ጸብጻባቶም ኣብ ገጻት ፌስቡክ ክዝርግሑ ኣይከኣሉን። ትካላት ሕትመት ኣውስትራልያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 228 ሚልዮን ክኸስቡ ዝኸኣሉ ብመገዱ ምዃኑ ፌስቡክ ይገልጽ። ዋና ዳይሬክተር ፌስቡክ ኣብ ኣውስትራልያ ዊልያም ኤስተን \"ክንከፍል ንሕተት ዘሎና፡ ኣብ ገጻትና ክሕተም ብዘይሓተትናዮ ጸብጻባት እዩ\" ኢሉ። ፌስቡክ ኣብቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ብመንግስቲ ኣውስትራልያ ዝውነኑ ናይ ፖሊስ፡ ትንበያ ኩነታት ኣየርን ካልእን ገጻት'ውን ኣጊዱ እዩ። እቶም ገጻት ብጌጋ ከም እተኣገዱን ክኽፈቱ ምዃኖምን እኳ እንተሓበረ መዓስ ከም ዝኽፈቱ ኣየነጸረን። ግብረመልሲ ኣውስትራልያውያን እንታይ ይመስል? ሃንደበት ኣብ ፌስቡክ ዜና ክረኽቡ ዘይከኣሉ ኣውስትራልያውያን ቁጥዐኦም ይገልጹ ኣለው። ብፍላይ ብመንግስቲ ዝወሃብ ሓበሬታ ብፌስቡክ ዝከታተሉ ዝነበሩ ዜጋታት ናይ ሓበሬታ ክፍተት ከም ዝፍጠር ይዛረቡ። ፒተር ፍሪት ዝተባህለ ነባሪ ሲድኒ \"ፌስቡክ ኣብ ኣውስትራልያን ኣብ ካልኦት ሃገራትን ሰባት ክገብርዎ ነዘፍቅዶ ነገራት ቀይዲ እናገበረሉ ክኸይድ እዩ ማለት እዩ\" ኢሉ። ኣማሊያ ማርሻል ዝተባህለት ካልእ ነባሪት ብወገና፡ \"ፌስቡክ ኣብ እዋን ለበዳ ነዚ ውሳነ ምሕላፉ ክኣምኖ ኣጸጊሙኒ ኣሎ\" ብምባል ናይ ፌስቡክ ገጻ ከምዝደምሰሰቶ ተዛሪባ። ውሳነ ፌስቡክ ንዋሕዚ ሓበሬታ ዝገትእ ምዃኑ ሓላፊ ሂዩማን ራይትስ ዎች ጨንፈር ኣውስትራልያ ሓቢሩ።","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56109296"} {"headline":"ዋትሳፕ: መልእኽትታት ድሕሪ ሸውዓተ መዓልቲ ዝጠፍኡሉ ኣማራጺ ከቕርብ'ዩ","content":"ዋትሳፕ ሰባት ካብን ናብን ዝለኣኣኽዎም [ኣብ ለኣኺ ይኹን ተቐባሊ ዘለዉ] መልእኽትታት: ድሕሪ ሸውዓተ መዓልታት ክጠፍኡ ዝገብር ኣማራጺ ከተኣታቱ ምዃኑ ገሊጹ። ብኩባንያ ፌስቡክ ዝውነን መተግበሪ ['ኣፕሊኬሽን'] ዋትሳፕ፡ ብደረጃ ዓለም 2 ቢልዮን ተጠቀምቲ ኣለውዎ። መልእኽቲታት ድሕሪ ሸውዓተ መዓልቲ ክጠፍኡ ምግባር ዝተደለየሉ ምኽንያት ድማ: ሰባት ዝለኣኣኽዎም መልእኽተታት ምስጢራውነቶም ንምሕላው'ዩ። እቲ ኣማራጺ ካብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ: ኣብ ኣገልግሎት ከምዝውዕል ተገሊጹ'ሎ። እቶም መልእኽትታት ድሕሪ ሸውዓተ መዓልቲ ክስረዙ ምግባር: \"እቲ ልውውጥ መልእኽቲ ቀዋሚ ከምዘይኮነ ዝግንዘቡ ተጠቀምቲ ናይ ኣእምሮ ቅሳነት ክረኽቡ: \" ዕድል ንምፍጣር ከምዝኾነ እቲ ኩባንያ የረድእ። ዋና ኣካያዲ ስራሕ ፌስቡክ ማርክ ዙከርበርግ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት እቲ ከባንያ ብዙሕ ምምሕያሻት ከምዝግበር: ኣብ ሚያዝያ 2019 ኣፍሊጡ ነይሩ። ከምኡ ዝግበረሉ ምኽንያት ከኣ ምስጠራውነት ተጠቀምቲ ብዝያዳ ዝተዓቀበ ንምግባር ከምዝኾነ ገሊጹ። ሓደ ካብቶም ንለውጢ ዝሃቀኖም ስጉምቲታት ድማ: ልእኽትታት ክጠፍኡ ምግባር ሓዊሱ፡ ትሕዝቶታት \"ንሓጺር ዕምሪ\" ምብጻሕ ዝብል'ዩ። እቲ ኩባንያ፡ ኣብ ሞንጎ ዋትሳፕ፣ ኢንስታግራምን ፌስቡክ ሜሰንጀርን ናይ መልእኽቲ ምቅይያር ዝከኣለሉ ኩነታት ንምፍጣር ይሰርሕ ከምዘሎ ይግለጽ።","category":"ማሕበራዊ መራኸቢታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54829411"} {"headline":"ኢሎን መስክ፡ ዝበዝሑ ተጠቀምቲ ትዊተር ካብ መዝነቱ ክወርድ ኣድሚጾም","content":"ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ትዊተር፡ ዋና ኣካያዲ ናይቲ ትካል ኤሎን ማስክ ካብ ሓላነቱ ክወርድ ኣድሚጾም። እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብ44 ቢልዮን ነቲ ትካል ዝዓደጎ ማስክ፡ ዋና ፈጻሚ እቲ ትካል ኰይኑ \"ይቐጽልዶ ኣይቐጽል?\" ንዝብል፡ ተጠቀምቲ ድምጺ ክህቡ ድሕሪ ምሕታቱ’ዩ እቲ ድምጺ ተዋሂቡ። ካብቶም ድምጾም ዝሃቡ 17.5 ሚልዮን ተጠቀምቲ፡ 57.5 ክወርድ ክደግፉ እንከለዉ፡ 42.5 ድማ ኣብ መዝነቱ ክቕጽል ኣድሚጾም። ንኣስታት 122 ሚልዮን ሰዓብቱ ኣብ ዘዳለዎ መውሃቢ ድምጺ፡ \"ካብ ሓላፍነተይ ክወርድ ዶ. . .በቲ ውጽኢት ክግዛእ እየ\" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ነይሩ። እቲ ብስርሓት ቴክኖሎጂ ዝሃብተመ ቢልየነር፡ ንትካላት ቴስላን ስፔስ ኤክስን እውን ዝመርሕ ኰይኑ፡ ንትዊተር ካብ ዝገዝኦ ንደሓር ብዙሕ ወቐሳታት ይበጽሖ ኣሎ። ማስክ ድሕሪ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝበጽሐ ወጠጥ፡ ንትዊተር ኣብ ጥቅምቲ ብ 44 ቢልዮን ዶላር ገዚእዎ። ሰኑይ ንግሆ ድምጺ ካብ ዝሃቡ 13 ሚልዮን ሰባት፡ እቶም 57 ሚእታዊት፡ ካብ ሓላፍነትካ ውረድ ዝብል ድምጺ ሂቦም ነይሮም። ዛጊት ቁጽሪ ናይቶም ድምጺ ዝሃቡ ልዕሊ 17 ሚልዮን በጺሑ'ሎ። ቢቢሲ ዘዘራረቦ ዳን ኣይቪስ ዝተባህለ ተንታኒ፡ እቲ ድምጺ መስክ ኣብ ትዊተር ዘለዎ ናይ ዋና ፈጻምነት ሓላፍነት ከብቅዕ ዝገብር ከምዝዀነ እምነቱ ገሊጹ። እቲ ሃብታም ነቲ ማሕበራዊ ሚድያ ካብ ዝገዝኦ፡ ኣብቲ ትካል ዘከራኽሩ ለውጢታት ተፈጢሮም እዮም። ኣስታት ፍርቂ ሰራሕተኛታት ትዊተር ዝሰጎገ ኰይኑ፡ ምርግጋጽ ሕሳብ ትዊተር እውን ብኽፍሊት ክኸውን ገይሩ። ኣብ ቍጽጽር ልጣፋት ዝወሰዶ ስጕምቲ እውን፡ ናይ ጽልኣት ዘረባን ስኑዕ ሓሬታን ዝውስኽ እዩ ዝብል ወቐሳ ካብ ሲቪክ ማሕበራት ክበጽሖ ገይሩ። ትዊተር ናይ ዝተወሰኑ ጋዜጠኛታት ሕሳብ ክዕጾ ብምግባሩ፡ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣውሮጳን ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ንኢሎን መስክ ኮኒኖም እዮም። ብፍላይ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ትዊተር ማዕቀብ ከምዘንብር ክገልጽ እንከሎ፡ እቶም ዝተዓጽዉ ሕሳባት ትዊተር ፍሉጣት ጋዜጠኛታት ጸኒሖም ክኽፈቱ ተገይሩ እዩ። ኣይቪስ ከምዝብሎ፡ እቶም ዝሓለፉ ኣዋርሕ ንኢሎን መስክን ነቲ ቢልዮናት ዝሓፈሰሉ ትካል ተስላን ጽቡቓት ኣይነበሩን። ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ዘይነበረ ትዊተር እውን መስክ ካብ ዝገዝኦ ንደሓር ከምዝገደዶ ብምሕባር፡ መስክ \"ኣብ ዝቕጽሉ 24 ሰዓታት ሓድሽ ግዝያዊ ፈጻሚ ስራሕ ክመዝዝ ተኽእሎ ኣሎ\" ኢሉ። ማስክ፡ ዓበይቲ ናይ ፖሊሲ ለውጢታት እውን ኣብ መጻኢ ድምጺ ከምዝካየደሎም ብትዊተር ሓቢሩ እዩ። ትዊተር ንኻልኦት ማሕበራዊ መራኸቢታት ንምፍላጥ ዝተኸፈቱ ሕሳባት ከምዝዕጸዉ ገሊጹ ነይሩ። ደረጃ ፍሉጣት ሰብ ሃብቲ ዘፍልጥ ፎርብስ፡ ኢሎን መስክ ድሕሪ ሕጂ እቲ ዝሃብተመ ሰብ ዓለምና ዘይምዃኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምግላጹ ዝዝከር እዩ።","category":"ናይ ሓሶት ዜና (ስኑዕ ዜና)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3gx8y3xn9zo"} {"headline":"ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ሓበሬታ ዝስንዑን ዘላብዑን ሸውዓት ጉጅለታት","content":"ማሕበራዊ መራኸብታት ብስነ-ውዲት (Conspiracy theories) ስኑዓት ሓበሬታን ቤላቤሎውን ኮሮናቫይረስ አዕለቕሊቆም እዮም ዘለዉ፡ ንምዃኑ ነዞም ስኑዓት ሓበሬታታት መን'ዩ ዘንቅሎም መንከ የላብዖም? ኣብዚ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ፤ ምስዚ ሕማም ተተሓሒዞም ካበ ዝተሰንዑ ኣማኢት ሓበሬታታት፡ መጽናዕቲ ኣካይድናሎም ኣለና። እቲ ዝገበርናዮ መጽናዕቲ ኸኣ ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሓበሬታታት መን ይበግሶምን ንምንታይ ዕላማን ንዝብል ሕቶ መልሲ ክንረኽበሉ ክኢልና ኣለና። እዞም ዝስዕቡ ሸውዓት ጉጅለታት ኸኣ ነቲ ዝበዝሐ ስኑዕ ሓበሬታታት ከምዘበገስዎን፡ ኣብ ምልብዑ ተራ ከምዘለዎምን ክንበጽሖ ክኢልና ኣለና። መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ ስታድዮም ዊምብለይ ንስኡናት ዝኸውን ሓደ ዓቢ ላዛኛ ይሰርሕ ከምዘሎ ዝሕብር ናይ ዋትስኣፕ መልእኽቲዶ በጺሕኩም? እንተዘይበጺሕኩም ድሓን፡ ብዝኾነ እዚ ዋዛ ዝመሰል ስኑዕ ሓበሬታ ሓቂ ዝመሰሎም ሰባት ክቀባበልዎ ተራእዮም እዮም። ካልእ ተዋዛያይ እውን ካብ ገዛ ብምውጽኡ መንግስቲ ከምዝቐጽዖ ዝሕብር ስኑዕ ቅብሊት ብምድላው ኣብ ፌስቡክ ዘርጊሕዎ፡ ብዙሓት ሰባት ስለዝተቐባበልሉ ኸኣ ኣብ ብዙሓት ነበርቲ ሎንዶን ስንባደ ፈጢሩ፡ ካብ ገዝኦም ወጺኦም ናብ ዱኳን ምኻድ'ውን ከስግኦም ጀሚሩ። ነዚ ዋዛ ዝመስል ስኑዕ ሓበሬታ ዝዘርግሐ ሰብ \"ኣነ ሰብ ካብ ገዝኡ ንኸይወጽእ እምበር ራዕድን ስንባደን ክፈጥር ዝሰራሕክዎ ኣይኮነን\" እዩ ዝብል። እዚ ውልቀ ሰብ፡ ሓቀኛ ስሙ እኳ ክነገረና ፍቃደኛ እንተዘይኮነ \"ሰባት ኣብ ኢንተርኔት ዘዝተበሃለ ዝኣምኑ እንተኾይኖም ከቢድ እዩ፡ ኣጠማምትኦም ዳግመ ግምት ምግባር ከድልዮም እዩ\" ይብል። ገለ ሰባት ኣታዊታት ንምርካብ ካብ መንግስቲ ወይ እሙናት ትካላት ዝተውሃበ ዝመስል ሓበሬታ ይዝርግሑ እዮም። ኣብ ወርሒ መጋቢት፤ መንግስቲ ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ንዝተሃስዩን ስርሖም ዝተጎናደበን ገንዘብ ክኸፍል ምዃኑ ብምሕባር ሰባት ናይ ባንኮም ዝርዝራዊ ሓበሬታ ክሰድሎም ዝሓቱ 'ሓሹላት' ብብዝሒ ተቐልቂልም ምንባሮም ቢቢሲ ዝገበሮ መጽናዕቲ ይሕብር። እቲ ሓበሬታ ብጽሑፍ ስለዝተዘርገሐ መን እዩ ኣበጊስዎ ንምፍላጥ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። እንተኾነ፤ ንሰባት ውልቃዊ ናይ ባንኪ ሓበሬተኦም ምሕታት ዕላምኡ ንስርቒ እዩ። ስኑዓት ሓበሬታት በቶም ንነብሶም ኣብ በዓቲ ኢንተርኔት ሓቢኦም ድላዮም ዝብሉን ዝጽሕፉን ጥራይ ኣይኮኑን ዝብገሱ። ዝሓለፈ ሰሙን፤ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ኣብ ጨረር ጸሓይ (ኣልትራቫይለት ራይ) ብምጽላውን መጽረዩ ኬሚካላት ብመልክዕ መርፍእ ብምውጋእን ክሓውዩ ይኽእሉ እዮም ምባሉ ዝዝከር እዩ። ድሒሩ እኳ ነቲ ዝበሎ ናይ እስትሕቃር እየ ሓሲበዮ እንተበለ፡ ሰባት ግን ነቲ ሓንሳብ ካብ ልሳን ትራምፕ ዝሰምዕዎ ካብ ምኹምሳዕ ዓዲ ኣይውዓሉን። ውሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፤ ኮቪድ-19 ብወተሃደራት ኣሜሪካ እዩ ናብ ውሃን ኣትዩ ዝብል መግለጺ ሂቡ ነይሩ። ኮሮናቫይረስ ኣበይ ተጀሚሩ ዝብል ዛዕባ ፖሎቲካዊ ቅርጺ ብምትሓዝ፡ ሃገራት ከከም ፖሎቲካዊ ኣረኣእየአን ናብ ረብሐአን ንምውዓል ብዙሕ ስነ-ውዲት እየን ዝጥቀማ። ኣብ ብሪጣንያ እታ ብወልንተኣ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝተወግእት ሰብ ሞይታ ዝብል ኣሰንባዲ ዜና በጺሕኩም ይኸውን ዶ? እዚ ዜና እዚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት፡ ብዙሕ ሰብ እዩ ተቐባቢሉዎ፡ እንተኾነ ሓቂ ዘይብሉ ውዲታዊ ዜና እዩ ነይሩ። እቲ ዕላማ ኸኣ ጸረ ክታበት ስነሓሳብ ብዝኽተሉ ጉጅለታት እዩ ተበጊሱ። ካልእ ምስ ደቪድ ኡክ ዝተገብረ ቃል መሕተት (ሕጂ እዃ ካብ ዩትዩብ ተኣልዩ እዩ)፡ 5ጂ ምስ ኮሮናቫይረስ ምትእስሳር ኣለዎ ዝብል ሓተታ ይርከቦ ነይሩ። ደቪድ ኡክ ናይ ፌስ ቡክ ኣድራሽኡ ብትካል ፌስቡክ ከምዝዕጾ ተገይሩ ብዝገበሮ ውዲት ምጽላም ሽም ትካል ክሲ ይጽበዮ ኣሎ። ሓደ ሓደ ግዜ ሰባት ተኣማንነቶም ንኸበርኹ እቲ ሓበሬታ ካብ ውሽጢ (ካብ ፕሮፌሰር፡ ዶክተር፡ ነርስ) እየ ረኺበዮ ዝብል የሰንይሉ እዮም። ኣብ ክራውልይ ምዕራብ ሱሰ እትነብር ውልቀ ሰብ ካብ ውሽጢ እቲ ሕክምና እየ ረኺበዮ ዝበለቶ ብድምጻ ኣሰንያ፡ ካብቶም ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ ንኣሽቱን ዝኾነ ሕዱር ሕማምን ዘይብሎም ብብዝሒ ይሞቱ ኣለዉ ዝብል ዘርዕድ ጽምጺ ኣብ ኢንተርኔት ዘርጊሓ። እዛ ሰብ መራሒት መኪና ናይቲ ዝጠቐሰቶ ሆስፒታል ምዃና ብምግላጽ ነቲ ሓበሬታ ክትረክብ ዘለዋ ተኽእሎ ከምዝእመን ገይራ። እቲ ብድምጻ ዝለኣኸቶ መልእኽቲ ሓሶት'ዩ ነይሩ። ብዛዕባ እቲ ዝዘርግሐቶ ጉጉይ ሓበሬታ ኣብ ዝተወከስናላ ግን ርኢቶ ክትህብ ፍቓደኛ ኣይነበረትን፡ ኣብቲ ሆስፒታል ናይ ብሓቂ ትሰርሕ ድያ ኢልና ንዝሓተትናያ'ውን ብትም እያ ሰጊራቶ። \"እንታ እዚ ሓቂ ድዩ?\" እናተበሃለ ካብን ናብን ኣባላት ስድራ ዝስደድ መልእኽትታት ብዙሕ እዩ። ቢቢሲ ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ካብቶም ልኡማት መልእኽትታት እቶም ዝያዳ ንሰብ ዘርዕዱን ዘሻቕሉን መልእኽትታት ዝያዳ ከምዝላብዑ የረድእ። ንህጻናት ዝምልከት ስኑዕ ሓበሬታ ምስ ዝዝርጋሕ፡ ኣተኩሮ ህጻን ዘለዎም ስድራ ክስሕብ ባህርያዊ እዩ፡ ንሶም ከኣ ብዓይኒ ሓልዮት ናብ ካልእ ኣባል ስድርኦም ወይ መቕርቦም ይሰድዎ፤ እቲ ስኑዕ ሓበሬታ ኸኣ ብኸምዚ ኣገባብ ይላባዕ። ከይተረድኦም ኸኣ ኣብ ምልባዕ ስኑዕ ሓበሬታ ኢዶም ይሕውሱ። ዝተሰንዐ ዜና ብፍሉጣትን ጸለውትን ሰባት ክዝርጋሕ እንከሎ ተላባዕነቱ ልዑል እዩ። ኤም ኣይ ኤን እትብሃል ደራፊትን ፍሉጥ ተዋስኣይ ዉዲ ሃሪሶንን ነቲ ን5ጂ ምስ ኮሮናቫይረስ ዘተሓሕዝ ስኑዕ ሓበሬታ ላምባ ካብ ዝከስከስሉ እዮም። ሮይተርስ ዝገበሮ መጽናዕቲ'ውን ዝተሰነዐ ዜና ፍሉጣትን ጸለውትን ሰባት ኢዶም ምስ ዝሕውስሉ ዝያዳ ከምዝላባዕ ይጠቅስ። እዞም ሰባት ብዙሓት ሰዓብቲ ስለዘለውዎም፤ ብቀሊሉ እዩ ዝላባዕ።","category":"ናይ ሓሶት ዜና (ስኑዕ ዜና)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52555405"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ናይ ሓሶት ዲፕሎማት ሕቡራት ሃገራትን ዝናፈሱ ዘለዉ ስኑዕ ወረታትን","content":"ብሰንኪ'ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት፡ ዝለዓለ ወጥሪ ሰፊኑ ከምዘሎን፡ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ይፍጸም ከምዘሎ ዝገልጽ ጸብጻባት ይኹን፡ ብዛዕባ'ቲ ክፍጠር ዝኽእል ዘይምርግጋእ ዝወጽኡ ዘለዉ ሓበሬታታት ይቕጽሉ ኣለዉ። እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወለዐ ግጭት፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብቲ ክልል ዝነበረ መዓስከራት ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊኦም ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ብምኽፋት'ዩ ተጀሚሩ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ባይታ ዝካየድ ዘሎ ረጽሚ፡ ኣብ መርበባት ኢንተርነትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን'ውን ናይ ፕሮፖጋንዳ ኲናት ይካየድ ኣሎ። ክልቲኦም ወገናት ድማ ስኑዕን ኣደናጋሪን ሓበሬታታት ኣብ ምንፋስ ተጸሚዶም ኣለዉ። ወግዓዊ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ (EPA)፡ ሓደ ምስ ሕቡራት ሃገራት ዝሰርሕ ዝነበረ ላዕለዋይ ዲፕሎማት፡ ንመርገጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ኣብ ትዊተር ክጽሕፍ ምጽንሑ ጸብጺቡ'ሎ። ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ፡ ብሓደ ጆርጅ ቦልቶን (George Bolton) ዝተባህለ፡ @GboltonUN ዝብል ናይ ትዊተር ኣድራሻ ዘለዎ ስም ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ጠቂዕዎ'ሎ። ንርእሱ ተንታኒ ፖለቲካን ብዓልስልጣን ሕቡራት ሃገራት ዝነበረን ምዃኑ ዝገልጽ \"ሚስተር ቦልተን\"፡ ንመራሕቲ ትግራይ \"ጨካናት\" ክብል ይገልጾም። መራሒ ኢትዮጵያ ሽልማት ኖበል ሰላም ከምዝተቐበለ ብምጥቃስ ድማ፡ ኣመሪካ ካብቲ ግጭት ኢዳ ከተውጽእ ኣለዋ ይብል። እቲ ርእይቶ ኣብ ናይ ኣምሓርኛን ትግርኛን ገጻት ፈይስቡክ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ተጠቂዑ'ሎ። ይኹን እምበር፡ እቲ ውልቀሰብ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ይሰርሕ ምንባሩ ዝገልጽ ዝኾነ ሓበሬታ ኣብ መርበብ ኢንተርነት ክንረክብ ኣይክኣልናን። ስእሊ ናይቲ ውልቀሰብ፡ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጋዜጣ ፋይናንሻል ታይምስ ዝምርምሮ ዝነበረ ብኪነታዊ ብልሓት (ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ) ዝተሰርሐ ናይ ሶፍትዌር ስእሊ ሓደ ኮይኑ ረኺብናዮ። እቲ ምስሊ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ጸብጻብ ናይቲ ጋዜጣ ብኣብነት ዝቐረቡ፡ ብሓደ 'ኣድቨርሳርያል ኔትዎርክስ (GANs) ዝተፈጥሩ ስእልታት እዩ። ኣብ ሓደ እዋን'ውን፡ ኩሉ እቲ በቲ ናይ ትዊተር ኣድራሻ ዝተጠቅዐ ጽሑፋት ለጊሱ ተዓዚብና። ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ከኣ፡ ናይ ፕሮፋይል ስእሊ ሓያሎ ግዜ ተቐዪሩ ነይሩ። ሓንሳብ'ውን፡ ስእሊ ናይቲ ኣድራሻ ብናይ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ተተኪኡ ነይሩ- እቲ ናይ ኣድራሻ (ትዊተር ሃንድል) ግን ከምዘለዎ @GboltonUN ኮይኑ። ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት'ውን ናይ ካልእ ስእሊ ኣትዩዎ ተራእዩ- እቲ ኣደራሻ ግን ኣይተቐየረን። እቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት፡ ኣብያተ-ከርስትያን ዝርከብዎም ብዙሓት ህንጻታት ኣዕንዩ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ሓደ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ዝዝርጋሕ ዘሎ፡ ክልተ ደቂኣንስትዮ ኣብ መንደቕ ናይ ሓደ ዝዓነወ ቤተክርስትያን ክጽልያ ዘርኢ ስእሊ፡ ኣብ ትግራይ ዝዓነወ ቤተ ክርስትያን ኣምሲልካ ምቕራብ ግን ግጉይ'ዩ። ኣብ ትግራይ ዝርከብ ኣይኮነን። እቲ ስእሊ ምስተመርመረ ግን፡ ብሓደ ሰብ ኣብ 2018፡ ቅድሚ እቲ ኲናት ምውልዑ ማለት'ዩ፡ ኣብ ፈይስቡክ ተጠቂዑ ተረኺቡ። ኣብ ሓደ ናይቲ ቱሪዝም መርበብ ሓበሬታ ከምዝሰፈረ ድማ፡ እቲ ቤተክርስትያን ኣብ ኤርትራ፡ ከተማ ዓዲ-ቀይሕ ከምዝርከብ ተገሊጹ'ሎ። ቅድሚ 20 ዓመታት፡ ኣብ 1998 ኣብታ ከተማ ሓደ ቤተክርስትያን ብሓይልታት ኢትዮጵያ ተደብዲቡ ዓንዩ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ናይ ሽዑ ቪድዮ ረኺብና ምስ ኣነጻጸርናዮ፡ ልክዕ ምስዚ ስእሊ ዝመሳሰል ዝዓነወ ህንጻ ተዓዚብና። ክልተ ቆልዑ፡ ኣብ ጽርግያ ካብ ዝዓቆረ ረሳሕ ማይ ክሰትዩ ዘርኢ ስእሊ፡ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ሕማቕ ሰብኣዊ ኩነታት ብዝገልጽ ጽሑፍ ተሰንዩ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ይዝርጋሕ ኣሎ። ኣብ ሓደ ናይ ትዊተር ኣካውንት፡ ንምስሊ ናይቲ ስእሊ ብምሕንጻጽ፡ ምስ ሓደ ንትግራይ ዝድግፍ ናይ ትዊተር 'ሃሽታግ' ቀሪቡ'ሎ። \"ብዛዕባ'ቲ ዝጠሚ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ዘሎ ኣፍልጦ ንምዕባይ ክሕግዝ ዝኽእል ሓሳብ ሓድሽ ምስሊ\" ዝብል ርእይቶ ድማ ኣሰንይዎ ይርከብ። እቲ ስእሊ ኣብ ሓደ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስራሓት ተተካኢ ጸዓት ዝሰርሕ 'ግሪም ሲን ኢነርጂ' ዝተባሃል ትካል ኣብ ፌስቢኮም ብረኪክ በቀለ ዝተበሃለት ሰብ ከምዝተሰኣለ መብርሂ ሰፊርዎ ክንርኢ ክኢልና ኢና። ንሳ ነቲ ስእሊ፡ ብጸሓያዊ ጽዓት ዝሰርሕ መጨንጉዒ ማይ ኣበይ ክትከል ከምዝኽል እናኣጽንዐት እንከላ ኣብ ጎደና ባይሉሊ እያ ስኢላቶ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ታሪኻዊት ከተማ ኣክሱም ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ ዝገልጽ ጸብጻብ ኣውጺኡ ነይሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ክስታት \"ዝተሰንዑ\" ክብል ነጺግዎም ነይሩ። ኤርትራ ብወገና፡ \"ግጉይ\" ክትብል ነጺጋቶ'ያ። እቲ ጸብጻብ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ሓደ 'ሄራልድ' ዝተባህለ መንግስታዊ ጋዜጣ ኢትዮጵያ፡ ሓደ ጉጅለ ትካል ዓለምለኻዊ ልምዓት ኣመሪካ (USAID) ናብ ኣክሱም ብምኻድ ነቲ ክስታት ከምዝመርመሮን፡ \"ዋላ ሓደ መቓብር ይኹን ቤተሰብ [ናይቶም ብጃምላ ዝተቐትሉ ዝተባህሉ ግዳያት] ኣይረኸበን\" ክብል ጸብጺቡ። እቲ ኣመሪካዊ ትካል ግን፡ ናብ ኣክሱም ዝሰደዶ መርማሪ ጉጅለ ከምዘየለ'ዩ ዝገልጽ። እቲ ትካል ዓለምለኻዊ ልምዓት ኣመሪካ \"ዩ-ኤስ-ኤ-ኣይ-ዲ፡ ዝገበሮ መርመራ የለን፡ ነቲ ኣብ ኣክሱም ተኻይዱ ዝብሃል ፍጻሜታት ንምምርማር ዝሰደዶ ጉጅለ'ውን የለን\" ክብል ብትዊተር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።","category":"ናይ ሓሶት ዜና (ስኑዕ ዜና)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56506397"} {"headline":"መረጻ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኢንተርነት ዝዘዋወር ዘሎ ስኑዕ ሓበሬታታት","content":"ኢትዮጵያ መጻኢ ሰኑይ ፓርላመንታዊ መረጻ ክተካይድ ትሸባሸብ ኣብ ዘላትሉ እዋን፡ ገለ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ግጉይ ሓበሬታታት ክልጥፉን ክዛረቡን ቀንዮም። ተበጻሕነት ማሕበራዊ ሚድያ ምስ ካልኦት ክፋላት እዛ ኣህጉር እንትነጻጸር ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሓተ እኳ እንተኾነ፡ ምስ ከም ኣብ ሃገራዊ መረጻ ዝኣመሰሉ ኣጋጣሚታት ግን ቁጽሪ ተጠቀምቲ ይውስኽ እዩ። መዓልቲ መረጻ ቁሩብ ምስተረፎ ፌስቡክ፡ ስኑዕ ሓሬታታት ይልጥፉ ነይሮም ዝበሎም ገጻት ከምዝዓጸወ ገሊጹ እዩ፡፡ ካብ ኣኼባ ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብ ብልጽግና ሰሊኹ ወጺኡ ዝተባህለ ቅዳሕ ድምጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ካብቶም ኣብ ቅንያት ወፍሪ ምረጹኒ ብዙሓት ሰባት ዝተኻፈልዎም ስኑዓት ሓበሬታታት ሓደ እዩ፡፡ ኣብቲ ድምጺ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ስልጣነይ ካብ ዘረክብ ''ሞት ይመርጽ'' ክብል ይስማዕ፡፡ እቲ ድምጺ መጀመርታ፡ ሓቀኛ እዩ ብዝብል ኣብ ኣመሪካ ዝመደብሩ ኬሎ ሚድያ እዩ ለጢፍዎ። ስዒቡ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር፡ እቲ ድምጺ ስኑዕን ''እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ካብ ዝገበሮም ዘረባታት ተለጋጊቡ ዝተዳለወን'' ከምዝኾነ ዝሕብር መግለጺ ኣውጺኡ፡፡ ግልጋሎት ቢቢሲ ቋንቋ ኣምሓርኛ፡ ነቲ ድምጺ መርሚሩ ንጥራ ዘለዎ፣ ኣፈላላይ መጠንን ጽርየትን ድምጺ ዝረኸበ ኮይኑ ንምድንጋር ዝተዋደደ ከምዝኾነ ገሊጹ እዩ፡፡ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ክፋላት እቲ ድምጺ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ቅድም ክብል ኣብ ዝገበሮም ዘረባታት ተረኺቦም እዮም፡፡ እዚ ሓበሬታ፡ ኢትዮጵያ በቲ እትሃንጾ ዘላ ዓብዪ ግድብ ምስ ጎረባብታ ኣብ ወጥሪ ኣትያ ከምዘላ ዘመላኽት እኳ እንተኾነ፡ ኣዐርዩ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ፡፡ እቲ ግድብ ካብቶም ኣብዪ ኣሕመድ ዝኾርዓሎም ተግባራት ኮይኑ፡ ምምላእ እቲ ግድብን ኣብ ታሕተዋይ ተፋሰስ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ከስዕቦ ዝኽእል ጽዕንቶን ግን ኣሰሓሓቢ እዩ ዘሎ፡፡ ካብ ግብጺ ሓበሬታ ዝህብ ሓደ ናይ ፌስቡክ ገጽ፡ ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ፡ 'ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ኑክለራዊ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ትትልም ኣላ' ዝብል ሓዊሱ ዘይተረጋገጹ ሓበሬታታት እናለጠፈ ጸኒሑ፡፡ '' ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ኑክለራዊ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ከምዝተዳለወት ዝገልጹ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ዜናታት ምህላዎም ኣዝዩ ሓድሽ ነገር እዩ፤ ብፍላይ ድማ ቅልውላው እቲ ግድብ ብዘይተሓሰበ መጠን ምስወሰኸ'' ዝብል ሓበሬታ ጠቂዑ፡፡ ብመሰረቱ ኢትዮጵያ ኑክለራዊ ኣጽዋር የብላን፤ ብርግጽ ኑክለራዊ ኣጽዋር እትውንን ኣፍሪቃዊት ሃገር እውን የላን፡፡ መብዛሕተአን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣካል እቲ ኑክራዊ ኣጽዋር ንዘይምውናን ቃል ዝኣተዋ፡ ነጻ- ዞባታት- ኑክሌር- ሕቡራት ሃገራት፡ እየን። ፖለቲካዊ ጸቕጢ ንምፍጣር ዝነሓናሓ ዝተፈላለያ ክልላት ኣብ ዘለዋ ሃገር፡ ቁጽሪ ኣብ በብከባቢኡ ዝተመዝገቡ መድመጽቲ ዓብዪ ጉዳይ እዩ፡፡ ብዙሓት ሰባት፡ ነቲ ብቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ዝቐረበ በዝሒ ኣድመጽቲ፡ ኣብ ሕቶ ዘእትዉ ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት ኣካፊሎም እዮም፡፡ ዋላኳ እቲ ብቦርድ መረጻ ዝቐረበ ኣሃዝ፡ ቁጽሪ መረጽቲ ዘንጸባርቕ ምዃኑ ምርግጋጽ እንተዘይከኣልና (ናይ መወዳእታ ቆጸራ ህዝቢ ዝተኻየደሉ 2007 ኣኣ ስለዝኾነ)፡ እቶም ዝባጽሑ ዘለዉ ሓበሬታታት ሓቂ ምዃኖም ዘመላኽት ዘቕርብዎ ሓበሬታ ግን የለን፡፡ ኣብ ገለ ልጣፋት፡ ነቲ ገዛኢ ውድብ ክድግፉ ይኽእሉ እዮም ተባሂሎም ኣብ ዝግመቱ ብሄራት፡ ቁጽሪ መረጽቲ ኮነ ተባሂሉ ክልዕል ተገይሩ ዝብሉ ስግኣታት ይረኣዩ፡፡ ሓደ ካብ ልጣፋት ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ናይ ዝርከብ ተቓዋሚ '' ኩሉ ሸነካት እቲ መረጻ ዝተጭበርበረ እዩ'' ክብል ይኸስስ፤ እንተኾነ ዘቕረቦ መርትዖ የለን፡፡ እዚ ልጣፍ ዘቕረቦ ኣሃዝ፡ እቲ ቦርድ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጉንበት ዘቕመጦ ኣፈናዊ ቁጽሪ መረጽቲ እዩ፡፡ እንተኾነ እቲ ቦርድ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ዘይምዕሩይ ምዝገባ ነይሩ ድሕሪ ምባል ቁጽሪ ከድምጹ ትጽቢት ዝግበረሎም ሰባት ነክዩ እዩ፡፡ እዚ ምምሕያሽ ሰባት ነቲ ነባር ግምት እናጠቐሱ ካብ ምጽሓፍ ግን ኣይዓገቶምን፡፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሕቡራት ሃገራትን ዘሎ ርክብ ተዃሳሓይ እዩ፡፡ ገለ ተቓወምቲ ውድባት ዘይሻራውነት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኲናት ትግራይ ይሓቱን፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብዝግባእ ኣፍልጦ ኣይሃቦን ኢሎም ይኸሱን እዮም፡፡ ብፍላይ እዞም ተቓወምቲ፡ ኣተሓባባሪት ረዚደንት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ካትሪን ሶዚ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ጎንጺ '' ወፍሪ ሕጊ ምኽባር እዩ'' ኢላ ዝሃበቶ ቃለ መሕተት ብቐንዱ ይጠቕሱ፡፡ በዚ ድማ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዝገበ ሰማያዊ መደብ ዘለዎ ቁጽሪ ሰሌዳ (ታርጋ) ኣብ ዘለዋ መኪና ኮይኑ ወፍሪ ምረጹኒ እንተሳልጥ ዘርእይ ፎቶ፡ ብዙሕ ሰብ ኣካፊልዎ፡፡ እቲ ፎቶ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ ዘካየዶ ወፍሪ ዝተወሰደ እዩ፡፡ እቲ ሰማያዊ ናይ ሕቡራት ሃገራት ታርጋ እውን ኣብ ናይ'ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ገጽ ትዊተር እዩ ተራእዩ፡ ዋላኳ እቲ ምስሊ ሓቀኛ እንተኾነ፡ እታ መኪና ብውድብ ሕቡራት ትወሃቦ ወይ ንምንታይ ናይ ሕቡራት ሃገራት ታርጋ ተለጢፍዋ ግን ኣይፈለጥናን። ዘገርም ግና፡ ኣብቲ መዓልቲ ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን፡ ሰኣላይ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ተማሳሳሊት መኪና ግን ድማ እቲ ቁጽሪ ሰሌዳ ዝተቐንጠጠ ፎቶ ለጢፉ፡፡ ወሃቢ ቃል ውድብ ሕቡራት ሃገራት '' ሕቡራት ሃገራት ኣብ ብርኪ ክልልን ፌደራልን ኢትዮጵያ ንዘለዉ ሓለፍቲ መንግስቲ መካይን ክልግስ ልሙድ ተግባር እዩ'' ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ፡ ገሊአን ተሸከርከርቲ ብምኽንያት ምስ ቀረጽ ዝተሓሓዙ ምኽንያታት፡ ዋላ እውን ካብ መደባት ሕቡራት ሃገራት ምስ ወጽኣ፡ ናይቲ ውድብ ቁጽሪ ሰሌዳ ሒዘን ከምዝቕጽላ ገሊጹ፡፡ '' ኣብዚ ጉዳይ እንታይ ኣጋጢሙ ክኸውን ከምዝኽእል ነጻርይ ኣለና'' እውን ኢሉ፡፡ ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪትና፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ጽሒፍና፤ ምላሽ ኣይረኸብናን፡፡","category":"ናይ ሓሶት ዜና (ስኑዕ ዜና)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57509985"} {"headline":"ናብ ኢትዮጵያ ፍሉይ ልኡኽ ትሰድድ ዘላ ኣመሪካ፡ ኤርትራ ተመሊሳ ናብ'ቲ ኲናት ምእታዋ ኮኒና","content":"ፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ፡ ማይክ ሃመር፡ ናብ ኢትዮጵያ ብምኻድ እቲ ዳግማይ ዝተልዓለ ኲናት ኣመልኪቱ ክዘራረብ ምዃኑ ዝተገልጸ ዀይኑ፡ ኤርትራ ተመሊሳ ናብ'ቲ ቅልውላው ምእታዋ ኣመሪካ ኮኒና። ቤት ፅሕፈት ዋይት ሃውስ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገብሮ መገሻ ቀንዲ ዛዕብኡ፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ቅልውላው ከምዝኸውን ኣፍሊጡ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪካ ኮይኑ ስርሑ ዝጀመረ ኣምባሳደር ሓመር፡ ቅድሚ ሓደ ወር፡ ናብ ኢትዮጵያ ብምምፃእ፡ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ኣብ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ተመላሊሱ ከምዝተዘራረበ ዝዝከር እዩ። እቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሃብ ዝተበጽሐ ተኹሲ ደው ምባል፡ ድሕሪ ኣስታት ሓሙሽተ ወርሒ፡ ብ18 ነሓሰ 2014 ዓ.ም [ግእዝ] ዝተጥሓሰ ኰይኑ፡ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ውግእ ከምዝተላዕለ ጸብጻባት ይሕብሩ። ሓይልታት ትግራይን ፌደራል መንግስቲን ኣብ ከባብታት ዶብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎን ክልል ትግራይን ዝተወለዐ ሓድሽ ኲናት፡ ብምጅማር ነንሕድሕዶም ይካሰሱ ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት፡ እቲ ኲናት ናብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ከምዝተዘርግሐ ዝዝረብ ኮይኑ፡ መንግስቲ \"ሓይልታት ህወሓት ኣብ ዝተፈላለየ ግንባራት ኲናት ከፊቶም\" ክብል ከሲሱ። ምስ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝዳወብ ከባብታት ብሓይልታት መንግስቲ መጥቃዕቲ ከምዝተኸፍቶም ዝኸሱ ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ ብወገን ኤርትራ’ውን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞም ገሊጾም። እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝገብሮ ዘሎ ዑደት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተኹሲ ደው ምባል ምስተጥሓሰን ዳግማይ ኲናት ምስተጀመረን’ዩ። ብመሰረት እቲ ብዋይት ሃውስ ዝተዋህበ መግለጺ፡ ኣመሪካ \"ኤርትራ ናብቲ ጎንጺ ዳግማይ ምእታዋ ኮኒና\" ኣላ። ከምኡ'ውን፡ \"ህወሓት ካብ ትግራይ ወጻኢ ዝፍጽሞም ዘሎ ቀጻሊ መጥቃዕቲ፡ ​​መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ነፈርትን ትኹንን\" ይብል እቲ መግለጺ። እቲ ኲናት ብወገን ደቡብ ትግራይ ምስተወልዐ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ እትርከብ ከተማ ቆቦን ከባቢኣን ከምዝተቖፃፀሩ ተሓቢሩ። ድሕሪ ምጅማር እቲ ኲናት፡ መራሕቲ ትግራይ ብውሑዱ ኣብ ክልተ ሲቪላዊ ከባቢታት ዝበልዎ ቦታታት ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝተፈፀመን ንጹሃት ዒላማ ከምዝኾኑን ገሊፆም። እንተኾነ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ንወተሃደራዊ መሳርሕታት ዝዓለመ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሰላማውያን ሰባት ካብዞም ከባቢታት ክርሕቑ ኣጠንቂቑ ነይሩ። ብዛዕባ ክስታት'ቶም ደብዳባት ነበርቲ ዝበሎ የለን። እቲ መግለጺ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዘጋጠመ ቅልውላው ወታደራዊ ፍታሕ ከምዘይብሉ ብምግላጽ፣ እቲ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ምቁራጽ ተኹሲ ዝተባበዕ ምንባሩ ሓቢሩ። ይኹን እምበር፡ 'ሰብኣዊ ረድኤት ንወተሃደራዊ ዓላማታት ይውዕል ምህላዉ ኣመሪካ ኣዝዩ ከምዘሻቕላ' እቲ መግለጺ ጠቒሱ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት፡ ድሕሪ ምጅማር እቲ ኲናት፡ ሰብ መዚ ትግራይ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሊትሮ ነዳዲ ካብቲ ኣብ መቐለ ዝርከብ ማእኸሉ ብሓይሊ ከምዝወሰዱ፡ ከሲሱ ነይሩ። መራሕቲ ትግራይ ግን ነቲ ነዳዲ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣለቂሕሞ ከምዝነበሩ ብምግላጽ ነቲ ክሲ ነጺጎሞ። ዋይት ሃውስ፡ ኩሎም ወገናት ነቲ ጎንጺ ካብ ምግዳድ ክቑጠቡን ተኹሲ ጠጠው ከብሉን ሓቲቱ ኣሎ። ኣመሪካ፡ ንኹሎም ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ወገናት፡ ብዘይ ዓንቀፍቀፍ ክበጽሖም ድማ ጸዊዓ። ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ እቲ ንኣስታት ክልተ ዓመት ዝፀንሐ ደማዊ ኲናት፡ ብዘተ ንምፍታሕ ሕብረት ኣፍሪካን ኣመሪካን ሓዊሱ ብዙሓት ፃዕሪ እኳ እንተገበሩ፣ ብዘይ ዝኾነ ውፅኢት ስለዝተረፈ እዩ ዳግማይ ውግእ ተወሊዑ። ኣብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ጀሚሩ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተዘርግሐ ኲናት፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ከምዝሞቱን ኣማኢት ኣሽሓት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉን ይእመን። ብተወሳኺ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ነበርቲ ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኤት ኮይኖም ኣለው። ኣብ'ቲ ክልል፡ እቲ ኲናት ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ፡ ባንክን ስልክን ሓዊሱ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎት ተቛሪጾም ዝርከቡ ዀይኖም፡ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው የጋድድዎ ከምዘለዉ ይዝረብ።","category":"ናይ ሓሶት ዜና (ስኑዕ ዜና)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4n037r0j8jo"} {"headline":"\"ወዲ ሰብ፡ ህንጡይ ስለዝኾነ ብቐጻሊ ኣብ ምርምር እዩ ዝነብር!\"","content":"ሓበሬታ ከም ዓይኒ ብርሃን፡ ከም ኣፍ ልሳን ምዃኑ እዩ ዝምሰል። ብዘይ ሓበሬታ ኩሉ ጸልማት እዩ። ብኡ ምኽንያት ከኣ እዩ ሓበሬታ፡ ዕጥቅን ስንቅን'ዩ ዝበሃል። ስለዝኾነ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ 1972፡ ኣብ ንግድን ወፍሪ ልምዓትን ንዘጋጥም ጸገማት ንምፍታሕ ዝሕግዝ ዓለማዊ መዓልቲ ሓበሬታ ምዕባለ ክህሉ ዝኣመመ። ካብ 1973 ኣትሒዙ ከኣ፡ ን24 ጥቅምቲ ከም ዓለማዊት መዓልቲ ሓበሬታ ምዕባለ ከኽብራን ከብዕላን ይርከብ። ኣባል ሃገራት ሕቡራት ሃገራት ዓለም፡ ዓሚ 24 ጥቅምቲ 2018፡ ተራ ተንቀሳቓሲ ስልኪ (ሞባይል)ን፡ ኢንተርነትን ኣብ ኣሳልጦ ንግድን ምዕባለን፡ ዝብል፡ ዝተፈላለየ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ብምቕራብ፡ ንኣሳልጦ ንግድን ምዕባለን ዝሕግዝ ኣስተምህሮ ብምሃብን ተመኩሮ ሕድሕድ ብምልውዋጥን ኣብዒሉዋ። ለብዘበን እውን ብተመሳሳሊ ንጥፈታት ከምዝዘከራ ይፍለጥ። ምዕባለ ዕቤትን ብልጽግናን ናይ ምፍጣር መስርሕ እዩ። ምዕባለ ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት፡ ኣብ ምዕቃብን ምምሕያሽን ኣከባቢ፡ ኣብ ቁጠባ፡ ማሕበራዊ ህይወት ህንጸትን እወታዊ ተራ ምጽዋት ማለት እዩ። ቢበሲ ትግርኛ ብዛዕባ እዛ ዕለትን ምዕባለ ሓበሬታን ኣገዳስነቱን ብዝምልከት ንሰለስተ ኤርትራውያን ምሁራት ኣቶ ጸጋይ ገብረሂወት (ምሁር ኮምፒዩትር ሳይንስ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዓውዲ ሓበሬታ-ቴክኖሎጂ)፡ ኣቶ እዮብ ጸጋይ (ኢንጂነርን ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን) ኣቶ ብርሃነ ወልደገብሪኤል ከኣ (ገዲም ጋዜጠኛን ኪኢላ ስነ-ቋንቋን) ኣዘራሩቡዎም ኣሎ ሓሳባቶም እነሆ። ኣቶ ጸጋይ ገብረሂወት ብዛዕባ ሓበሬታን ኣገዳስነቱን ኣብ ዝጸሓፎ ዓንቀጽ፡ ሓበሬታ (Information) እምነ-ኩርናዕ ምዕባለን ህንጸትን ምዃኑ፡ ግን ከኣ ደቂ ሰባት ንዝተፈላለየ ረብሓታት፡ ዕዳጋ ንምቁጽጻርን ዘይምኽኑይ መኽሰብ ንምኽዕባትን ሓበሬታ ዘዘንብዑ ኣካላትን ትካላትን ስለዘለው፡ ሰባት ንዝሰምዑዎን ዝረኽቡዎን ሓበሬታ ሓቅነቱ ከረጋግጹ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ። ተመሳሳሊ ርእይቶ ዘለዎ ኣቶ ብርሃነ ወልደገብሪኤል፡ ወዲ ሰብ ሓዲሽ ነገር ክፈልጥ ካብ ምድላይ ዝብገስ ህንጡይ ባህሪያቱ፡ ካብ ዝፍጠር ኣትሒዙ፡ ከባቢኡ እናተዓዘበ፡ ምርምራቱ እናፈተነ፡ ርኽበት መጽናዕቱ እናሰነደን እናዕሞቐን ኣብዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘሎና ደረጃ ከምዝበጽሐ ይገልጽ። \"መጽሓፍ ቅዱስ ከምዝነግረና፡ ኣዴና ሄዋን እውን ብተመን ስሒታ፡ ካብታ እግዚኣብሄር ከይትትንክፉዋ ዝበሎም ኦም ዝበልዐት ክትፈልጥ ካብ ምድላይ ዝነቅል እዩ ዝኸውን\" ዝብል ኣብነት ብምቕራብ፡ ኣቶ ብርሃነ፡ ወዲ ሰብ ሓዲሽ ነገር ክፈልጥ ካብ ምድላይ ናብዚ ዘመናዊ ዓለም ከምዝበጽሐ ይዛረብ። መንእሰይ ኢንጂነር እዮብ ብወገኑ፡ ንኣገዳስነት፡ ሓበሬታ፡ ኣብ ቁጠባዊ ዕብየት፡ ኣብ ህንጸት ትሕተ ቕርጺ፡ ኣብ ንግዳዊ ውድድር፡ ኣብ ምጥፋእ ድኽነት፡ ኣብ ዕቃበ ከባብን ክሊማን ፍሉይ ረብሓን ኣገዳስነትን ምህላዉን ምንጪ ኩሉ ዓይነት ምዕባለ ምዃኑ ይጠቅስ። \"ሎሚ ዓለምና ብሓበሬታ ዘቕቢባ ስለዘላ፡ ሰባት፡ ካብቲ ዕልቕልቕ፡ ነቲ ቅኑዕ ሓበሬታ መምዮም ክጥቀሙሉ ይግባእ\" ክብል ድማ ይምዕድ። ኣብዚ እዋን'ዚ ምዕባለ ቴክኖሎጂ ብዝፈጠሮ ብዝሒ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገለ ወገናት ንህዝቢ ዝጠቅምን ንምዕባለ ዝድርኽን ዝተፈላለየ ሓበሬታ ክዝርግሑ እንከለው ገለ ወገናት ከኣ ንደረጃ ፍልጠትን ድኻምን ሕብረተሰብ መዝሚዞም ንረብሐኦም ይጥቀምሉ ምህላዎም ርኡይ እዩ። ነዚ ሓቂ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኣቶ ጸጋይ ገብረሂወት \"ቅኑዕን ጽፉፍን ሓበሬታ ሓይልን ዕጥቅን ክኸውን እንከሎ፡ ግጉይን ዝንብዑን ሓበሬታ ግን ውድቀት እዩ\" ይብል፡ ዓይነትን ዝርገሐን ሓበሬታ ሰፊሕን ዝተሓላለኸን ምዃኑ ብምግላጽ። ሕቡራት ሃገራት ኣብ 1972 ዓለማዊ መዓልቲ ሓበሬታ ምዕባለ ክእውጅ እንከሎ እምበኣር አህዛብ ዓለም ብፍላይ ከኣ ኣብ ምምዕባል ዝርከቡ አህዛብ መታን ብግቡእ ክጥቀሙሉ ኣድላይ ሓበሬታ ንኪሰንቁን ሓበሬታ ዝምስርሕሉን ዝትግብሩሉን መሳርሒታት ከተኣታትዉ ብምሕሳብ እዩ። ኣቶ ብርሃነ ወልደገብርኤል፡ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ፡ ፈለማ ንወተሃደራዊ ዕዮ ተባሂሉ ከምዝተማህዘን እቲ ዝተደልየ ፍረ ምስ ኣበርከተ ከኣ ናብ ኣገልግሎት ህዝቢ ከምዘወዓለን ብምጥቃስ፡ \"እነሆ እኳ እዚ ቴክኖሎጂ ካብ ናይሮቢ ንለንደን ወይ ካብ አፍሪቃ ንኤውሮጳ የራኽበና ኣሎ\" ክብል ንህሞት ዝርርብና ከም ኣብነት የቕርቦ። ኣገልግሎት ሓበሬታ ከም ዝተጠቐምካሉን ከምዝሰራሕካሉን እዩ። ገለ አህዛብ ንዝረኸቡዎ ሓበሬታ ተሞርኲሶም ኣብ ኩሉ ዓውዲ ቀልጢፎም ክምዕብሉ እንከለው ብዙሓት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ግን ከምቲ ዝደለ ከይሰጎማ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘበን ገና ሕርሸአን በብዑር የካይደኦ ኣለዋ። ብዙሓት ስሙያት ዜጋታት ዓለምና ንመነባብሮ ህዝቢ ዝቕይር ምህዞ ብምቕራብ ንዓለምና ይቕይሩዋ ኣለው። ኣልበርት ኣንስታይን ንክልሰሓሳብ 'ኣቶም' ከማዕብል እንከሎ ንሰናይ እዩ ሓሲቡዎ ነይሩ። ግን ከኣ ገለ ክፋል ካብቲ ምርምሩ ኣብ ዕንወትን ጥፍኣትን ሂሮሽማን ናጋሳክን ምውዓሉ ዝሓበረ ብርሃነ፡ \"ንኣብነት እተን ኣብ ገለ ክፋል ወተሃደራዊ ዒላማ ዘጥቅዓ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ድሮን፡ ኣብ ከም በዓል ማላዊ መድሃኒት ኣብ ምምልላስ ተዋፊረን ኣለዋ\" ክብል ቴክኖሎጂን ሓበሬታን ንጽቡቕን ሕማቕን ክትጥቀመሉ ከምእትኽእል ኣረዲኡ። መንእሰይ እዮብ ብወገኑ፡ ኣሸበርቲ ሓይልታት ንምዕባለ ቴክኖሎጂን ሓበሬታን ንአዕናዊ ኣተሓሳስበኦምን ንጥፈታቶምን ከምዝጥቀምሉ ብምዝኽኻር፡ ሰባት ነቲ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝረኽብዎ ሓበሬታ ኣየናይ እዩ ጠቓሚ ኣየናይከ ጎዳኢ ብምባል ፈልዮምን መምዮምን ክጥቀምሉ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ። ኣብ መወዳእታ ጸጋይ ገብረሂወት፡ ምዕባለ ሓበሬታን ተክኖሎጂን ዘምጸኦ ኣወንታዊ ኣበርክቶ ካብቲ ኣሉታዊ ሳዕቤናቱ ብዕጽፍጻፍ ከምዝዓብን፡ ኣብ ምዕራብ ዓለምን ገለ ክፋል ኤስያን ድሮ ኮምፒዩተር ዘይፈልጥ ወይ ከኣ ዘይጥቀም ሰብ ከም መሃይም ከም ዝቑጸር ብምዝኽኻር ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት እንኮላይ ኤርትራ፡ ካብቲ ብኣፍ ደጊአን ዝሓልፍ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተዘርጊሑ ዘሎ ኣገልግሎት ኢንተርነት (ፋይበር ኦፕቲክ) ተጠቒመን ምዕባለአን ክድርኻ ተማሕጺኑ።","category":"ናይ ሓሶት ዜና (ስኑዕ ዜና)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50185055"} {"headline":"ብናይ ሓሶት ዜና ከይንታለል እንታይ ክንገብር ይግባእ?","content":"ኣብዚ ሕጂ እዋን ማሕበራዊ መራኸቢታትና ብ‘ኣማራጺ ሓቅታት’ ዝተመልኡ እዮም። ቢቢሲ ፊዩቸር፡ ነዞም ‘ኣማራጺ ሓቅታት’ ንትንትነሉ ርትዓዊ ዝዀነ ኣገባብ ይምርምር። ኣብ ሓደ እዋን እቲ ‘ዘሲምፕሰንስ’ ብዝብል ኣርእስቲ ዝቐርብ ተኸታታሊ መደብ ቲቪ፡ ኣብ 2000 [ኣ. ኣ] ዶናልድ ትራምፕ ፕረዚደንት ክኸውን ከም ዝኽእል ኣተንቢሁ፣ ዝብል ወረ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ነይሩ። ንግስት ኤልሳቤጥ እውን ኣብ ትራምፕ ቅትለት ብዛዕባ ምፍጻም ከምዘሽካዕለለት ዋዛ ዝመልኦ ዛንታ ተወርዩ ነይሩ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ግንባር ኲናት ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲኑ ብራድዮ ክዛረብ ዘርኢ ኣብ ፈይስቡክ ዝተዘርገሐ ስእሊ ነይሩ። ይዅን እምበር እቲ ስእሊ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዛንታታት ሰራዊት ኣሜሪካ ንዝቐረበ መበቈላዊ ስእሊ ብ'ፎቶሾፕ' ምትዕርራይ ተገይሩሉ ወይ ከምቲ ዝድለ ንኽመስል ተቐይሩ ዝቐረበ ስእሊ እዩ። ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ምምሕዳር ፕረዚደንት ባይደን ንፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ “ክልተ መዘከርታ ሳንቲም ወፍዩ” ዝብል ዜና ኣቓልቦ ስሒቡ ነይሩ። እቲ ሓቂ ግን ሓደ ኣካል መንግስቲ ኣሜሪካ ዘይኰነ ዋይት ሃውስ ጊፍት ሾፕ ዝበሃል ናይ ብሕቲ ኩባንያ እዩ ነተን ሳናቲም ዝሸጠን። ኢንተርነት ንብዙሓት ተጠቀምቲ ቀንዲ ምንጪ ዜናን ሓበሬታን ኣብ ዝዀነሉ ዘመን፡ ሰባት ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ንናይ ሓሶት ዜና ንኽቃልዑ ሓደጋ ኣለዎ። ውልቀ ሰባት ጥራይ ዘይኮኑስ ጸጥታን ልኡላውነትን ሃገራት'ውን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝዀነ ይዅን ሰብ ኢንተርነት እንተሃልይዎ ዳርጋ ከም ጋዜጠኛ ክቝጸር ይኽእል እዩ። ከም ፈይስቡክ፡ ቲክቶክ፡ ኢንስታግራም፡ ዩትዩብ፡ ትዊተርን ካልኦት ውልቃዊ ብሎግን ዝኣመሰሉ ብዙሓት መድረኻት ስለዘለዉ፡ ኣብ ክውንነት መሰረት ዘይብሉ ቅኑዕ ዝመስል ዜና ምፍጣርን ምዝርጋሕን ቀሊል’ዩ። ብተወሳኺ’ውን እቶም መርበባት ተመሳሳሊ ድልየትን ወገናውነት ዘለዎም ሰባት ብቐሊሉ ዘራኽብ ስለዝዀነ እቲ ናይ ሓሶት ዜና ወይ ወረ ብቐሊሉ ክእመንን ዝያዳ ክዝርጋሕን ተኽእሎ ኣለዎ። ብዙሓት ዜናታት ሓሶት ‘ስንባደ’ ንምፍጣር ወይ ንኣንባቢ ንምምሳጥ እዮም ዝጽሓፉ። ነዚ እዩ ድማ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዛንታታት ንህቦ ስምዒታዊ ምላሽ፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ንኽጸንሕ ሃያሲ ወይ ንዅሉ ብሕቶ ዝቕበል ቅኒተ-ሕልና ምምዕባል ኣገዳሲ ዝኸውን። ኣጋጣሚ ኰይኑ ተመራመርቲ ስነ-ኣእምሮ፡ ምስ ናትና ኣረኣእያ ዘይሰማምዑ ሓቅታት ሸለል ኢልና፡ ነቶም ዝሰማምዑ ስለምንታይ ከምእንኣምን ክርድኡ ጀሚሮም ኣለዉ። ኣብዚ ጽሑፍ ብሓሶት ዜና ንኽይትታለሉ ዘኽእሉ ሽዱሽተ ሜላታት ቀሪቦም ኣለዉ። ንሓደ ሓሶት፡ ግልጺን ቀሊል ኣቀራርባን ተጠቒምካ ተኣማንነቱ ክውስኽ ምግባር ብዘገርም መልክዕ ቀሊል ከምዝዀነ ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት የመልክቱ። እዚ ምስ “ኣእምሮኣዊ ስሉጥነት” ዝተተሓሓዘ እዩ። ንኣብነት ሓደ ሓሳብ ብቐሊሉ ክንርድኦ እንተኽኢልና፡ ናይ ምእማን ዕድልና ልዑል እዩ። ካልእ ይትረፍ ብቐሊል ኣጸሓሕፋ ወይ ብዝማርኽ ዓይነት ፊደል (font) እንቐሪቡ፡ ኣብ ምእማንን ዘይምእማንን እቲ ሓበሬታ ናይ ባዕሉ ጽልዋ ኣለዎ። ብተመሳሳሊ ሓደ ሰብ ንፈልጦ ኰይኑ እንተተሰሚዑና (ንኣብነት ኣብ ቲቪ ደጋጊምና ዝረኣናዮ ሰብ እንተዀይኑ) ነቲ ዝብሎ ነገር ክንኣምኖ ተኽእሎና ዝለዓለ እዩ። ዋላ’ውን ኣብቲ ዝብሎ ዘሎ ሓሳብ ብንጹር ፍልጠት ከምዘይብሉ እናተረኣየ’ኳ ሓሳቡ እቶም ከም ዝፈልጥዎ ዝተሰምዖም ሰባት ብቐሊሉ ክኣምንዎ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ኵልሳዕ ካብቲ ጽቡቕን ቀሊልን ኣቀራርባ ብዝሓልፍ እቶም ምንጭታት እቲ ዜና ከመይ ዝበሉ ከምዝዀኑ ክንሓትት ይግባእ። ብቐሊል ኣቀራርባ ከይተታለልና ምንጪ ዜና ምፍታሽ ኣገዳሲ እዩ። ምንጪ እቲ ዜና ፍሉጥ ወይ ዝውቱር ምንጪ ድዩ? ዘይተለምደ ዓይነት እንተዀይኑ ናይ ሓሶት ምንጪ ናይ ምዃን ተኽእሎታት ኣሎ። ንኣብነት፡ ብሎገራት ዘይፍለጡ ምንጪ እንተዀይኖም ኣብ ጕግል ፈተሻ ብምክያድ እቲ ምንጪ ብዛዕባ ዘለዎ ሞያ፡ ዕላማን ወዘተ ኽንፈልጥ ንኽእል። ሓደ ዛንታ ወይ ዜና ጽቡቕ ተቐባልነት ንኽህለዎ ካብ ዘኽእሉ እቲ ሓደ፡ ምስኡ ተተሓሒዙ ዝቐረበ ምስሊ እንተሃልይዎ እዩ። ይዅን እምበር - ዕድመ ንቴክኖሎጂ - ምስልታት ብቐሊሉ ክመሓየሹን ክቕየሩን ኣብ ኣተሓሳስባና ዝኽርናን እውን ዓቢይ ለውጢ ከምጽኡን ይኽእሉ። መብዛሕትኡ ግዜ እዞም ዝተቐየሩወይ ዝተመሓየሹ ምስልታት ሓቀኛን ብክኢላታት ዝተሳእሉን ክሳዕ ዝመስሉ ኣደናገርቲ ክዀኑ ይዅሉ እዮም። ምስልታት፡ ንእንታይነት ሓደ ዛንታ ናይ ምፍላጥ ስሉጥነት ክውስኹ ይኽእሉ’ዮም። ሳላ ፎቶሾፕ ዝኣመሰለ ሶፍትዌር ብቐሊሉ ምምሕያሽ ወይ ምስናዕ ክግበረሎም ይኽእል’ዩ። እዚ ድማ እቲ ዛንታ ተዘካሪ ንምዃን ክሳብ ክንደይ ብቐሊሉ ክቈጻጸሮ ከም ዝኽእል ክርድኣካ ይግባእ። ሓደ እዋን ስሌት (Slate) ዝበሃል መርበብ ሓበሬታ ሓደ ፈተነ ኣካይዱ ነይሩ። ስእልታት ዝተወሰኑ ፖለቲካዊ ፍጻመታት ንኣንበብቲ ኣቕሪቡ።  ገለ ካብቶም ምስልታት ግን ናይ ሓሶት ፍጻመታት ዘርእዮ እዮም ነይሮም። ብድሕሪኡ ንኣንበብቶም ሕቶ ምስ ኣቐረቡሎም፡ ዳርጋ ፍርቆም፡ ነቶም ናይ ‘ሓሶት ፍጻመታት’ ከጋጥሙ እንለዉ ከምዝዝክሩ ገሊጾም። እዚ ማለት ብፎቶሾፕ ምስልታት ምቕያር ወይ ምስናዕ፡ እቲ ሓሶት ተኣማንነት ክህልዎ ዘኽእል ሜላ ክኸውን ከምዝኽእል ዘመልክት እዩ። ስለዚ ኣብቲ ብቕጽበት ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዘሎ ዜና ጥራይ ኣሚንና ካብ ምቕባል፡ ተመሳሳሊ ዜና ካብ ብዙሓት ምንጪ ሓበሬታታት ክነረጋግጽ ክንፍትን የድልየና። ብፍላይ ድማ እቲ ዜና ወይ ዛንታ ኣብ ፍሉጣትን እሙናትን ማዕከናት ዜና ወጺኡ እንተዀይኑ፡ ሓሶት ከይከውን ይኽእል እዩ። ብዙሓት ሰባት ልዕሊ ዓቐን ብርእሰ-ምትእምማን ይሳቐዩ። ካብቲ ማእከላይ ሰብ ንላዕሊ ከምዝፈልጡ ይኣምኑ። ኣብ ጫፍ ኣጻብዕትና ደረት ኣልቦ ፍልጠት ዘለወን ስማርትፎናትና ድማ ነዚ ጽልዋ’ዚ ከጋድዳኦ ይኽእላ። ውጽኢቱ ድማ፡ ንዝዀነ ምሳና ዘይሰማማዕ ነገር እናነጸግና፡ ኣብቲ ነቲ ግምታትና ዘደልድል ሓበሬታ ውሑድ ነቐፌታ ክነልዕል ክገብረና ይኽእል። ዛርያ ጎርቨት ብዛዕባ ‘ጕጅለ ምትፍናን’ (group polarization) ኣብ ዝጸሓፈቶ ዛንታ፡ ሰባት ብኣረኣእያኦም ብኣካላዊ ይዅን ብሕልማዊ ምስቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ሰባት ክመሳሰሉ ባህርያዊ እዩ። ይዅን እምበር ካብቲ ኣተሓሳስባ ከባቢኦም ወጻኢ ምሉእ ዓለም\/ክውንነት ከምዘሎ ዝርስዑ ኣለዉ። ስለዚ ካብቲ ናትና ዝተፈልየ ኣረኣእያ ምስ ዘለዎም ሰባት ክንዘራረብ ንፈትን፣ ካብቲ ኵልሳዕ ነንብቦም ምንጭታት ዜና ወጺእና ካልኦት ምንጭታት ነንብብ። ነቲ ከም ንቡር ዝወሰድናዮ ሓቅታት ኣብ ሕቶ ዘእቱ ሓበሬታ ክንረክብን ክንግረምን ንኽእል ኢና። ተመራማሪ ስነ-ኣእምሮ ቶም ስታፎርድ፡ ኵላትና ዝያዳ ንኽንፈልጥ እንተደሊና ዝያዳ ክንከስብ ከም እንኽእል ይሕብር። ዝተረሓሓቐ ኣተሓሳስባ ንምቅርራብ ትምህርቲ ጥራይ እዅል ኣይኮነን። ዝያዳ ንኽፈልጡ ዝደልዩ ሰባት ግን በቲ ዝጸንሐ ስነ-ሓሳቦም ከይዓወሩ ሳይንሳዊ መርትዖታት ተጠቒሞም ዝያዳ ሚዛናዊ ብዝዀነ መንገዲ ናይ ምግምጋም ዕድል ኣለዎም። ከምቲ ስታፎርድ ኣብቲ ጽሑፉ ዝገለጾ፡ ኣብ ሓደ መጽናዕቲ ዝነበሩ ተሳተፍቲ ብዛዕባ ሞት ፍርዲ ዝገልጽ ጽሑፋት ከንብቡ ተሓቲቶም። ካብቶም መምርሒታት ሓደ፡ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስጕምቲ፡ እቲ መጽናዕቲ ባዕሉ ኣንጻራዊ ዓይነት ውጽኢት እንተዝህብ ነይሩ፡ ተመሳሳሊ ልዑል ወይ ትሑት ገምጋማት ምገበርካ’ዶ? ዝብል ንርእስኹም ሕተቱ” ይብል። ስለዚ ንኣብነት፡ እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ንመጠን ቅትለት ከም ዘጕድሎ ዝሕብር መረዳእታ እንተቐሪቡ፡ እቶም ተሳተፍቲ ኣገባብ ናይቲ መጽናዕቲ ክትንትንዎን፡ ነቲ ኣንጻራዊ ውጽኢቱ ኸኣ ንኽምልከቱን ተሓቲቶም። እቲ ውጽኢቱ፡ እቲ ሜላ ናይቶም ተሳተፍቲ ወገናውነት ከምዝንኪ የረጋግጽ። ምስቲ ዝጸንሐ እምነቶም ዘይሰማማዕ መርትዖታት ምቕባልን ነቲ ዝነበረ ግምታቶም ዝድግፍ መርትዖታት ድማ ዝያዳ ክነቕፉ\/ሕቶ ከልዕሉን ገይርዎም። ከም ውጽኢቱ ድማ ብሓፈሻ ዝያዳ ሚዛናዊ ኣተሓሳስባ ኣንጸባሪቘም።","category":"ናይ ሓሶት ዜና (ስኑዕ ዜና)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4n3lm3nyr2o"} {"headline":"“ብዛዕባ ኮቪድ-19 ዝዝረብ ግጉይ ሓበሬታ ሰባት ይቐትል ኣሎ” ጆ ባይደን","content":"ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝቐርቡ ንኮቪድ ዝምልከቱ ዝተጋገዩ ሓበሬታ “ሰባት ይቐትሉ ኣለው” ክብል ኣጠንቂቑ። ንሱ፡ ንክታበትን ለበዳ ኮሮናን ብዝምልከት ኣብ “ከም ፌስቡክ መድረኻት” ዝበሉ ማሕበራዊ መራኸብታት ምስ ዝላብዑ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብዝተሓሓዝ ካብ ሓደ ጋዜጠኛ ንዝቐረበሉ ሕቶ መብርሂ ክህብ ከሎ’ዩ ነዚ ዝበለ። መንግስቲ ኣሜሪካ ኩባንያታት ማሕበራዊ መራኸቢታት ስኑዓት ወይ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ኣብ ምቅላስ ዝገብርዎ ጻዕሪ ከዛይዱ ድፍኢት ክገብረሎም ምጽንሑ ይፍለጥ። ፌስቡክ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ጥዕና ማሕበረሰብ ንምውሓስ “ኣዝዩ ተሪር ስጉምቲ” ይወስድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ’ሎ። ትማሊ ዓርቢ ንሕቶ እቲ ጋዜጠኛ ክምልስ ከሎ “ሰባት ይቐትሉ ኣለዉ” ዝበለ ባይደን፡ እቲ ለበዳ ኣብ ሞንጎ እቶም ክታበት ዘይወሰዱ ሰባት ይላባዕ ከምዘሎ ሓቢሩ። ሰበስልጣን ጥዕና ኣሜሪካ ብወገኖም እቲ ኣብዚ እዋን ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ኮቪድ-19 ዝውስኽ ዘሎ ሞትን መልከፍትን ብስፍሓት ኣብቶም ዘይተኸተቡ ክፋላት ሕብረተሰብ ከምዝኾነ ኣጠንቂቖም። ወሃቢ ቓል ቤተ-መንግስቲ ኣሜሪካ ጄን ፕሳኪ ትማሊ ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ፤ ፌስቡክን ካልኦት ማሕበራዊ መራኸቢታትን ብዛዕባ እቲ ክታበት ዝዝርግሑ ስኑዓት ሓበሬታ ብእኹል ኣይተቓለሱን ኢላ። “ዝወሰድዎም ስጉምቲታት ከምዘለዉ ዝፍልጥ’ዩ” ዝበለት እታ ወሃቢት ቃል፡ “ክውሰዱ ዘለዎም ተወሰኽቲ ነገራት ከምዘለዉ ከኣ ንጹር’ዩ” ክትብል ሓቢራ። ወሃቢ ቓል ፌስቡክ ኬቪን ማክኣሊስተር ነዚ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ኩባንይኦም “ብሓቂታት ከይተደገፉ ብዝቐርቡ ክስታት ከምዘይደናገር” ገሊጹ። “ምስ ኮቪድ ብዝተሓሓዝ ልዕሊ 18 ሚልዮን ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ኣወጊድና ኢና። ንሕግታት ብተደጋጋሚ ዝጠሓሱ ኣካውንታት’ውን ዓጺና” ኢሉ። ፌስቡክ ብዙሓት ምስ ኮቪድ ብዝተሓሓዝ ዝተጋገየ መልእኽቲ ዘሕልፉ ሓበሬታታት ካብ መድረኹ ስለዘይኣለዮም ብስፍሓት ይርከቡ ብዝብል ይንቀፍ። ኣብ ኣሜሪካ ዛጊድ 67 ሚኢታዊት ኣባጽሕ ንቐዳማይ ዙር ክታበት ክወስዱ ከለዉ፡ 59.2 ድማ ክልቲኡ ማለት ምሉእ ክታበት ዝተኸተቡ’ዮም። እንተኾነ ብዙሓት ሰባት ነቲ ክታባት ክኣምንዎ ብዘይምኽኣሎም ክሳብ ሎሚ ኣይወሰዱን። ኣብ ወርሒ መጋቢት ከም ፌስቡክ፣ ዩ-ቱዩብ፣ ኢንስታግራምን ትዊተርን ዝበሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝጥቀሙ ነጠፍቲ፡ “ናብ ልዕሊ 59 ሚልዮን ሰዓብቶም ዝበጽሐ ጸረ ክታበታት ዝኾኑ መልእኽትታት ዘርጊሖም” ይብል፡ ሓደ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ። ኣብቲ ወርሒ ናብ ኮንግረስ ኣሜሪካ ዝቐረቡ ዋና ኣፈጸምቲ ስራሕ ኩባንያታት ፌስቡክ፣ጉግልን ትዊተርን ዝኾኑ ማርክ ዙከርበርግ፣ ሳንዳር ፒቺያን ጃክ ዶርሰይን፡ ብዛዕባ ዝርግሐ ስኑዕ ወይ ናይ ሓሶት ሓበሬታ መብርሂ ክህቡ ተሓቲቶም ነይሮም። ጃክ ዶርሰይ ንሴናተራት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ትዊተር ዝጥቅዑ ትሕዝቶታት ኣብ ምክትታልን ምምእኻልን ብተገዳስነት ከምዝሰርሕ ቃል ኣትዩ ነይሩ። ዳንድራ ፒቺያ ከኣ ዩ-ቱዩብ ዘደናግሩ ትሕዝቶታት ንምእላይ ከምዝሰርሐ ብምሕባር፡ ብዛዕባ እቲ ክታበት ሓበሬታ ክበጽሕ ኣብ ምግባር ዘለዎ እጃም ኣብሪሁ።","category":"ናይ ሓሶት ዜና (ስኑዕ ዜና)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57872353"} {"headline":"ቅልውላው ዩክረይን፡ ምልባዕ ስኑዕ ሓበሬታታት ከም መዋዘዪ","content":"ቅልውላው ሩስያ-ዩክረይን ክልተ ቕነ መመላእታ ኣቝጺሩ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ማዕረኡ ሓያለ ሓሶታትን ኣጋገይቲ ሓበሬታታ ክወናጨፉ ይረኣዩን ይስምዑን ኣለው። ንእኡ ምርኩስ ዝገበሩ ዘገርሙ ትንታነታት ከኣ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ይሰጋገሩ ኣለው። እዚ ኲናት፡ ላግጽን ብማዕከናት ዜና ዝተፈብረኸን ምዃኑ፤ ወይ ከኣ ብምዕራባውያን ካብ ዝግበኦ ንላዕሊ ዝጋነን ዘሎ ኲናት ምዃኑን ዝገልጹ ሓበሬታታት ይዝርግሑ ኣለው። ኣብ ገሊኦም መጽናዕቲ ኣካይድና ኣለና። ሓንቲ ጐርዞን ሓደ መንእሰይን፡ ኣብ ገጾም ናይ ሓሶት ደም ተጸይቘም እንከለው ዘርኢ ቪድዮ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ተዘርጊሑ፡ ንሚልዮናት ርኣይቲ ኣስካሕኪሑ ቀንዩ። እዚ ስእሊ፡ ውግእ ዩክረይን ላግጺ ከም ምዃኑን፡ ሲቪላውያን ሰባት ከኣ ግዳያት ምዃኖምን፡ ብርግጽ ከኣ 'ተዋሳእቲ ቅልውላው' ኰይኖም ምህላዎም [ካብ ምርኢታት ናይቲ መጥቃዕቲታት እናወሰድካ ኣብ ዝግበር ተዋስኦ ንኽዓዩ] ከም መረጋገጺ ተሓሲቡ ዝተዘርግሐ እዩ። እንተዀነ እቲ ቪድዮ ምስቲ ኲናት ኣይተኣሳሰርን እዩ። ኣብ 2020፡ 'ኮንታሚን' ካብ ዝተባህለት ተኸታታሊ ፊልም ዩክረይን ዝተቐርጸ ስእሊ እዩ። ሓደ ተዋሳኣይ፡ ኣብ ኣሳእል ድሕረ-ምርኢት ከም ዝርአ ኣብቲ ኣብ ታሕሳስ 2020 ዝተገብረ ትዊተር የረጋግጽ። ሓደ ሪፖርተር ዜና፡ ኣብ ቅድሚ ሓያለ ሳንጣታት ሬሳ [ወይ ሬሳ ዝመልአ ሳንጣታት] ደው ኢሉ እንከሎ ዘርኢ ቪድዮ፡ ኣብ ዓበይቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብቕጽበት ክላባዕ ተራእዩ። ደገፍቲ ሩስያ ብዝዀና ማዕከናት ድማ ብስፍሓት ተዘርጊሑ። ድሕሪ ገለ ደቓይቕ፡ ሓደ ካብቶም ሬሳታት ክንቀሳቐስ ይጅምር እሞ፡ ነቲ መሸፈኒኡ፡ ሳንጣኡ፡ ቀንጢጡ፡ ኣብ ቅድሚ ሰኣላይ ክቐርብ ይርአ። ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝቐርብ ዘሎ ምጕት፡ እዚ ቪድዮ ኣብ ዩክረይን ከም ዝተቐርጸን፣ እቲ ኲናት ከኣ ላግጺ፡ ወይ ከኣ ብ 'ምዕራባዊ ፕሮፓጋንዳ' ዝተሰንዐ ምዃኑ ከም መረጋገጺ ይርእዮ። እንተዀነ እዚ ክትዕ ቅኑዕ ኣይኰነን። ብመሰረቱ እቲ ቪድዮ፡ ኣብ ቪየና፡ ኣብ ፈለማ ለካቲት፡ ንክሊማዊ ለውጢ ኣመልኪቱ ካብ ዝተኻየደ ኣድማ ዝተወስደ ምዃኑ፡ 'ኦስትሪች' ዝተባህለ ጋዜጣ ኣውስትሪያ ኣረጋጊጽዎ'ሎ። \"ዓርቢ ንመጻኢ\" [Friday for Future] ዝብል ቴማ ብዘልዓሉ 'ተነጣጠፍቲ ክሊማ' ዝተወደበ ኣድማ፡ ብመገዲ'ቲ ሳንጣታት ሬሳ ገይሩ ዝፈጠሮ ምርኢት፡ ሓደገኛነት ልቀት ካርቦን ኣብ ሂወት ደቂሰብ ንምርኣይ ዝዓለመ እዩ ነይሩ። ተመሳሳሊ ቪድዮ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብኻልኦት ጕጅለታት፡ 'ተዋሳእቲ ቅልውላው' ኮቪድ፡ ብዝብል ናይ ሓሶት ሓበሬታ ተዘርጊሑ ምንባሩ ይፍለጥ። ክልተ ዩክሬናውያን ሰብኡት፡ ናይ ሓሶት፡ ጠበናጁ ዕንጸይቲ ዓጢቘም ዘርኢ ብ'ስክሪን ሾት' ዝተወስደ ስእሊ 'ፎክስ ኒውስ' ብብዝሒ ተዘርጊሑ ቐንዩ። እዚ ኸኣ፡ 'ኲናት ዩክረይን ላግጺ እዩ' ዝብል ናይ ሓሶት ጸብጻብ ዘሰነዮ ኰይኑ፡ እቲ ዕጥቂ'ውን ሓቀኛ ጠበናጁ ዘይምዃኑ ከም መርትዖ ንምቕራብ እዩ ዕላማኡ። ብርግጽ እቲ ስእሊ፡ ቅድም ኢሉ ኣብ መፋርቕ ለካቲት ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ ዝተወስደ እዩ። ኣሜሪካዊ-ሩስያዊ ፍሉጥ ተዋስኣይ ስተፈን ሴጋን፡ 'ንፍሉይ ሓይልታት ሩስያ ተጸቢሩ፡' ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ዩክረይን፡ ኪቭ ይዋጋእ ከምዘሎ ዝገልጽ ሓበሬታ፡ ብሓደ ናይ ሓሶት ገጽ ትዊተር ተዘርጊሑ ነይሩ። ኣብ ርእስቲ'ቶም ተራ ተጠቀምቲ ትዊተር፡ ካልኦት ከም እኒ ጆ ሮጋን ዝተባህሉ ጸለውቲን ብዙሓት ሰዓብቲ ዘለውዎምን ተጠቀምቲ፡ ኣብ ኢንስታግራም ከይተረፈ ብሚሊዮናት ከም ዝዝርጋሕን ዝርአን ገይሮምዎ። እቲ ሓቂ ግን ስተፈን ሴጋል፡ ኣብቲ ኲናት የለን። እቲ ገጽ ትዊተር ግን፡ ምስ ሓቀኛን ፍሉጥን ኣስማት ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ኣመሳሲልካ ዝተገብረ ምዃኑ ኣይሰሓትን። ሲኤንኤን፡ እቲ ስእሊ ስናዕ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ከምኡ ዓይነት ምስሩሕ ሓበሬታ ኸኣ ፈጺሙ ከም ዘይዘርግሐ ብወግዒ ኣፍሊጡ። ሮጋን ከኣ ነቲ ኣብ ኢንታግራም ዝጠቅዖ ስእሊ ብኡ ንብኡ ኣልይዎ። እቲ ወዲ 69 ዓመት ተዋስኣይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንፎክስ ኒውስ ኣብ ሃቦ ቃል፡ ንኽልቲአን ሃገራት ከም \"ሓደ ስድራ\" ብምርኣይ፡ \"እወታዊ ሰላማዊ ፍታሕ\" ክርከብ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ። ሓደ ሩስያዊ ዲፕሎማት፡ ዝተፈብረኸ ዛንታ ሓደ ኣብ ዩክረይን ጋዜጠኛ ዝተቐትለ ዘርኢ ስእሊ ዘርጊሑ። \"ከመይ ኣቢልካ ወረ ትስንዕ . . . ብጾት፣ ኣስተውዕሉ፡ እቲ ቀንዲ ኲናት ኣብ ዩክረይን ኣይኰነን፣ ምስ ሓሶትን ሰንዓን ቀንዲ ማዕከናት ዜና [MSM - Mainstream Media] እዩ፡\" ክብል፡ ምኽትል ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ ድሚትሪ ፖልያንስኪ ኣብ ትዊተሩ ጽሒፉ። ንሱ ኣብ ዝለጠፎ መልእኽቲ፡ ሲኤንኤን ብዛዕባ ሞት \"በርኒ ጐረስ\" ኣብ ዩክረይን ኣውጺእዎ ዝነበረ ዛንታ ይወቅስ። ነዚ ኸኣ ብዛዕባ'ዚ ሰብ'ዚ [በርኒ ጐረስ]፡ ዝሓለፈ ዓመት ጣሊባን ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝተቘጻጸረሉ ከም ዝሞተ ዜና ብስም 'ሲኤንኤን' ተዘርጊሑ ንዝነበረ ዜና ኣተሓሒዙ እዩ ኣቕሪብዎ። እንተዀነ፡ እቲ ብ'ስክሪን-ሾት' ዝቐረበ መርትዖ፡ ካብተን ብስም ሲኤንኤን ዝተኸፍታ ናይ ሓሶት ገጻት ዝተረኽበ ምዃኑ፣ እዘን ገጻት ድማ ብትዊተር ከም ዝተኣገዳን ተፈሊጡ'ሎ። ምስሊ ናይቲ ከም በርኒ ጐረስ ኰይኑ ዝቐረብ ሰብ ድማ ጆርዲ ጆርዳን ዝተባህለ ኣመና ንጡፍ 'ዩትዩበር' እዩ። ወኪል ሲኤንኤን፡ ንናይ ሮይተርስ 'ኣረጋገጽቲ-ሓቂ' ከም ዝገለጾ፡ እቲ ዝተለጠፈ ዛንታ 'ውጹእ ፈጠራ እዩ' ኢሉ። ኣብ ሓደ ቪድዮ፡ ሓደ ዳይረክተር እኩባት ሰባት ብፍርሒ እናወጨጩ ክሃድሙ ከም ዝረኣዩ\/ከም ዝዋስኡ ገይሩ ነይሩ። እቲ ቪድዮ ካብ ዩክረይን ከም ዝዞረቐ እዩ ዝንገር ቪድዮ፡ ን ኣሽሓት ተኸታተልቲ ማሕበራዊ ሜድያ ኣሰንቢዱ። እዚ ግን እዞም ዝተፈላለየ ማዕከን ዜና ዝዝርግሑ ዘለው ዘግነብንቡ ኣሳእል፡ ፍብሩኻት ምዃኖም ዘመልክት እዩ። ብመሰረቱ እዚ ቪድዮ፡ ኣብ በርሚንግሃም ኣደባባይ ቪክቶሪያ ብ 2013፡ \"ኢንቬዥን ፕላነት አርዝ\" ንዝተባህለ [ኣቐዲሙ 'ክላይዶስኮፕ ማን' ተሰምዩ ንዝነበረ] ሳይንሳዊ ፊልም ተባሂሉ ዝተቐርጸ እዩ። ዳይሬክተር ናይዚ ፊልም፡ ሳይሞን ኮክስል ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ \"ቪድዮታተይ ኣብ ከምዚ መዓላ ውዒሉ ምስ ረኣኹ ኣመና እየ ሰንቢደ፡\" ክብል ገሊጹ። 'ሰይቲ ምኽትል ፕረዚደንት' ዩክረይን ኣንጻር ወራር ሩስያ ንኽትቃለስ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ዩክረይን ከም እተጸንበረት ዘርኢ ስእልታት፡ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሜድያ ከስጋግርዎ ቀንዮም። እንተዀነ ዩክረይን ምክትል ፕረዚደንት ዝበሃል የብላን። ኣብ ትዊተር ክዀልል ዝቐነየ ካልእ መዳይ ናይዚ ዛንታ፡ እዛ ኣብ ስእሊ እትርአ ዘላ ሰበይቲ፡ ቀዳመይቲ እመቤት ዩክረይን 'ኦሌና ዘለንስኪ' እያ ዝብል ግጕይ ሓበሬታ'ውን ኣሎ። \"ኣረጋገጽቲ-ሓቂ\" እዚ ስእሊ፡ ናይ ሓንቲ ካብ ነሓሰ 2021 ኣብ ውትህድርና ዝተዓስከረት ዩክሬናዊት ወተሃደር ምዃኑ ኣረጋጊጾም።","category":"ናይ ሓሶት ዜና (ስኑዕ ዜና)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60673261"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ብዛዕባ ኮቪድ-19 ስኑዕ ሓበሬታ ዝዝርግሑ ሸውዓተ ዓይነት ሰባት","content":"ኮሮናቫይረስ ብዝምልከት ዝዝርግሑ ቅንዕና ዘይብሎም ትንተናታት፣ ስኑዕ [ናይ ሓሶት] ሓበሬታን ግምታትን ብዙሓት ሰባት ብማሕበራዊ ሚድያ ክቀባበልዎም ምርኣይ ዝተለመደ’ዩ። ነዞም ሓበሬታታት ዘመንጩን ዝዝርግሕን ግን መን’ዩ? ኣብዚ ዘለናሉ ናይ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እዋን ኣዝዮም ብዙሓት ስኑዓት ሓበሬታታት ክዝርግሑ ሪኢናን ሰሚዕናን ኢና። ኣብዚ ጽሑፍ ነቶም ሓበሬታታት መን ከምዝዝርግሖምን መበገሲኦም እንታይ ከምዝኾነን ክንርእይ ኢና። ነቶም ስኑዓት ሓበሬታታት ዘመንጭዉን ዝዝርግሑን ዓይነታት ሰባት ኣብ ሸውዓተ ተመዲቦም ኣለዉ። “ቀያዕቲ\/ቀለድቲ” ኣብ ሓደ እዋን፡ ‘መንግስቲ እንግሊዝ ንነበርቲ ለንደን ክእንግዶም ኣብ ስታድየም ዌምለይ ላዛኛ ይሰርሕ ኣሎ’ ዝብል ሓበሬታ ክፍኖ ከሎ ብዙሓት ሰባት ነዚ ከም ቅየዐ ወይ ቀልዲ ኣይቆጸርዎን። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ከኣ ሓደ ውልቀሰብ ‘መንግስቲ ንዘቐመጦም ገደባት ብምጥሓስ ካብ ገዝኡ ብተደጋጋሚ ዝወጽእ ዝነበረ ሰብ ተቐጺዑ’ ዝብል ሓበሬታ ምስ ስእሊ ጠቂዑ ነይሩ። እቲ ውልቀሰብ ከምዝበሎ ሰባት ካብ ገዝኦም ምውጻእ ንኽፈርሑ ብዝብል’ዩ ነቲ ተግባር ፈጺሙ። ኢንስታግራም ኣብ ዝተበሃለ ማሕበራዊ መራኸቢ መሓዙቱ ዝኾኑ ሰባት ነቲ ሓበሬታ ናብ ኩሉ ንኸባጽሑሉ ዝሓተቶም ኮይኑ፤ እቲ ሓበሬታ ግን ካብ ኢንስታግራም ሰጊሩ ብዙሓት ሰባት ኣብ ፌስቡክ ተቐባቢሎምዎ። በዚ ምኽንያት ከኣ ብዙሓት ሰባት ነቲ ሓበሬታ ከም ሓቂ ወሲዶምዎ። “ኣብ ሰባት ስንባደ ክፈጥር ድልየት የብለይን” ይብል እቲ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ፈለማ ነቲ ሓበሬታ ዘመንጨወ ውልቀሰብ። “ግን ከኣ እቶም ሰባት ነቲ ትኽክለኛ ምስሊ ክፈልዩ እንተዘይኪኢሎም ካብ ኢንተርኔት ረኺቦም ዘረጋግጹሉ መገዲ ክምርምሩ ኣለዎም” ክብል ርእይትኡ ሂቡ። “መታለልቲ” ኣብዚ ናይ ኮሮናቫይረስ እዋን ብዙሓት መታለልቲ ካብ መንግስቲ ዝተልኣኹ ኣምሲሎም ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ናብ ሰባት ክዝርግሑ ተራእዮም’ዮም። ቀንዲ ዕላምኦም ከኣ ንሰባት ብምትላል ገንዘብ ምርካብ’ዩ። ኣብ ወርሒ መጋቢት ሓደ ጉጅለ ምጽራይ መረዳእታ ዘካየዶ ምርመራ ከምዘመልክቶ ሓደ መታለሊ ‘መንግስቲ ንዜጋታት ድጎማ ክገብር ስለዝወጠነ ናይ ባንኪ ዝርዝር ሓበሬታኹም ለኣኹ’ ዝብል ጽሑፍ ይልእኽ ነይሩ። ብዙሓት ሰባት ከኣ እቲ መታለሊ\/ኣጭበርባሪ ሰብ ንዝዘርግሖ መልእኽቲ ኣብ ፌስቡክ ናብ ብዙሓት ክባጻሕ ገይሮም። እዚ ሓበሬታ ብናይ ጽሑፍ ሓጺር መልእኽቲ ኣቢሉ ይዝርጋሕ ብምንባሩ መን ይፍጽሞ ከምዘሎ ምፍላጡ ኣጸጋሚ ከምዝኾነ ይግለጽ። ብሓፈሻ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣታለልቲ ሰባት ብዝተፈላለየ መገዲ ምስ ኮሮናቫይረስ ዝተሓሓዙ መልእኽትታት ብምዝርጋሕ ገንዘብ ንምርካብ እናሰርሑ ይርከቡ። ገሊኦም ኢመይል ብምጥቃም ‘ብዛዕባ ክትባት ኮሮናቫይረስ ሓበሬታ ንምርካብ እንተደሊኹም ነዚ ሊንክ ጠውቑ’ ብምባል ናይ ሰባት ዝርዝር መረዳእታ ብንኪ ንምርካብ ፈቲኖም። ብኻልእ ገጽ ከኣ ‘መንግስቲ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ነቲ በብወርሑ ዝቖርጾ ዝነበረ ግብሪ ደው ኣቢሉ’ሎ፤ ስለዚ ቅድሚ ሎሚ ግብሪ ዝተቖረጸኩም ሰባት ክምለሰልኩም እንተደሊኹም ናይ ባንኪ መረዳእታኹም ሓብሩና’ ዝበሉ ኣጭበርብርቲ ኣይተስኣኑን። “ፖለቲከኛታት” ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ዝዝርግሑ ስኑዓት ሓበሬታ ምንጮም ኢንተርኔት እናተጠቐሙ ብሕቡእ ካብ ዝጥቀሙ ሰባት ጥራይ ኣይኮነን። ካብ ፖለቲከኛታት’ውን እምበር። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ግንቦት ‘ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ጸሓይ ክጽለዉ ምግባር ወይ ኬሚካላት ምውጋእ ካብቲ ሕማም ከሕውዮም ይኽእል ይኸውን’ዩ’ ኢሉ ነይሩ። እቲ ፕረዚደንት ጸኒሑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ዝተዛረቦ ዘረባ ንቐልዲ ከምዝኾነ ሓቢሩ’ዩ። እንተኾነ ንሱ ንዝተዛረቦ ዘረባ ስዒቡ ብዙሓት ሰባት ናብ ማእኸላት ሓበሬታ እናደወሉ በቲ ዝተገለጸ መገዲ ንነብሶም ከድሕኑ ዝኽእሉ እንተኾይኖም ይሓቱ ምንባሮም ይግለጽ። ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ድማ ኮሮናቫይረስ ንፈለማ እዋን ናብ ከተማ ዉሃን ዝኣተወ ምናልባት “ካብ ወተሃደራት ኣሜሪካ ክኸውን ይኽእል’ዩ” ክብል ተሰሚዑ። ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ኣሪዞና ‘ዓሳ ንዝራብሑሉ ገንኢ መሕጸቢ ዝውዕል ኬሚካል ካብ ኮሮናቫይረስ ይፍውስ’ዩ’ ዝብል ዜና ዘንበቡ መጻምድቲ ነቲ ኬሚካል ሰትዮም ናብ ሆስፒታል ከምዝኣተዉ ይግለጽ። ነዚ ምኽንያት ከኣ እቲ ዘገርሙ ዘረባታት ብምዝራብ ዝፍለጥ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ከይኮነ ኣይተርፍን ይበሃል። “ናይ ሽርሒ ተንተንቲ” ሰብሞያ ሕክምናን ምርምርን ብዛዕባ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ርግጸኛ ዝኾነ ሓበሬታ ዘይምሃቦም ነቶም ናይ ተንኮል ትንታነ ዝህቡ ሰባት ምችው ኩነታት ፈጢሩሎም’ዩ። ንኣብነት ብምኽንያት ኣብ ተንኮል\/ሽርሒ ዝተመስረተ ሓበሬታ ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም 70 ዝኾኑ ዓምድታት ኔትወርክ ሞባይል መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞም ይዝከር። መንቀሊኡ ከኣ ‘5ጂ [ሓምሻይ ወለዶ] ቴክኖሎጂ ኢንተርኔት’ዩ ነቲ ቫይረስ ኣምጺእዎ” ዝብል ወረ ነይሩ። ዩጎቭን ዘ ኢኮኖሚስትን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝገብርዎ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ 13 ሚኢታዊት ካብ ኣሜሪካውያን ኮቪድ-19 ሓሶት ወይ ዘየለ ከምዝኾነ ይኣምኑ። 49 ሚኢታዊት ከኣ ሰብ ሰራሕ ከምዝኾነ ይዛረቡ። ሓደ እዋን ከኣ ኣብ እንግሊዝ ፈተነ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ሓደ ብወለንትኡ ኣብቲ ፈተነ ዝተሳተፈ ሰብ ሞይቱ ዝብል ሓበሬታ ብስፍሓት ተዘርጊሑ ነይሩ። በዚ ምኽንያት ከኣ እቲ ክታበት ሰባት ንምቕታል ዝተሰርሐ እዩ ዝብል ናይ ተንኮል ወይ ሽርሒ ትንታነ ተዘርጊሑ። “ፈለጥቲ ውሽጢ” ገለ እዋናት እቲ ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ ዝዝርጋሕ ስኑዕ ሓበሬታ ‘ተኣመንቲ’ ካብ ዝበሃሉ ምንጪታት ዝብገስ ክኸውን ይኽእል። ንኣብነት ዶካትር፣ መማህራንን ኣብ ማእኸላት ጥዕና ዝሰርሑ ሰባትን ተዛሪቦም እናተባሃለ ግጉይ ሓበሬታ ይዝርጋሕ። ሓደ እዋን ኣብ እንግሊዝ ሓንቲ ኣብ ኣምቡላንስ እትሰርሕ በዓልቲ ሞያ ሕክምና ዝተዛረበቶ ብዝብል “መናእሰይ ብብዝሒ ይሞቱ ኣለዉ” ዝብል ናይ ድምጺ መልእኽቲ ናብ ብዙሓት ተባጺሑ ነይሩ። ቢቢሲ ነታ መልእኽቲ ኣሕሊፋ ዝተባሃለት ውልቀሰብ ከዘራርባ’ኳ እንተፈተነ ብትኽክል በዓልቲ ሞያ ጥዕና ምዃና’ውን ከረጋግጽ ኣይከኣለን። “ኣዝማድ\/ቤተሰብ” ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ኣዝማዶም ወይ ቤተሰቦም ኣብ ዝሓስቡሉ እዋን ክጭነቑ ይኽእሉ። ብፍላይ ድማ ኣብዚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንዓለም ኣብ ዘሻቕለሉ እዋን እቲ ጭንቀት ከምዝውስኽ ይግመት። በዚ ምኽንያት ከኣ ገለ ሰባት ‘ይጠቅም’ዩ’ ዝበልዎ ሓበሬታ ንቤተሰቦም ወይ ፈትውቶም ምዝራቦም ኣይተርፍን። ሓበሬታ ንኣዝማዶም ምሃቦም ከም ጌጋ’ኳ ዝቑጸር እንተዘይኮነ እቲ ሓበሬታ ግን ክሳብ ክንደይ ሓቅነት ኣለዎ? ዝብል ከየጻረዩ ናብ ካልኦት ሰባት ክበጽሕ ምግባር ጸገማት ከስዕብ ከምዝኽእል ምግማት ይከኣል። ዳንኤላ ቤከር ዝተበሃለት እንግሊዛዊት ነዚ ኣብነት’ያ። ሓደ እዋን ኣብ ፌስቡክ ዝረኸበቶ ሓበሬታ ናብ ብዙሓት ሰባት ኣባጺሓ ነይራ። “ፈለማ ቁሩብ ኣሕሲቡኒ ነይሩ። ምኽንያቱ ከኣ ብዙሕ ካብ ዘይፈልጣ ሰብ’ዩ እቲ ሓበሬታ ተላኢኹኒ። ዝጠቅም ስለዝመሰለኒ ቆልዓ ናብ ዘለዋ ሓፍተይ ሰዲደላ” ትብል። እቲ ሓበሬታ ሓቅነት ስለዘይነበሮ ግን ንሳ ከምዝሓሰበቶ ክኸውን ኣይከኣለን። “ፍሉጣት ሰባት” ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝምልከት ስኑዕ ወይ ግጉይ ሓበሬታ ካብ ሞንጎ ዝዝርግሑ ሰባት ምናልባት እነድንቖም ወይ እንፈትዎም ሰባት ክርከብዎም ይኽእሉ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝርከብ መረዳእታ ናብ ካልኦት ክባጻሕ ምግባር ልሙድ ተግባር’ዩ። ፍሉጣት ሰባት ግን ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ጉዳያት ዝለዓለ ጥንቃቐ ክገበሩ ኣለዎም። ምኽንያቱ ሓደ ተራ ሰብ ነቲ ግጉይ ሓበሬታ ክዝርግሕ ከሎን እቶም ፍሉጣት ሰባት ነዚ ክገብሩ ከለዉን ዝህልዎም ተቐባልነት ማዕረ ኣይኮነን። ሮይተርስ ኣብ ቀረባ እዋን ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ኣብቶም ዝፍነዉ ስኑዓት ሓበሬታታት ተሳትፎ ፍሉጣት ሰባት ዝለዓለ ከምዝኾነ ኣመልኪቱ’ሎ። ኣብቲ ቴክኖሎጂ ኢንተርኔት 5ጂ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ይዝርግሕ ኣሎ ብዝብል ዝተፈነወ ሓቅነት ዘይብሉ ወረ ብዙሓት ፍሉጣት ሰባት ተሳትፎ ነይርዎም’ዩ። ካብ ኢትዮጵያ ክሳብ ማዳጋስካር፤ ካብ ታይላንድ ክሳብ ብራዚል፤ ካብ ኣመሜሪካ ክሳብ ታንዛኒያ ብናይ ሓሶት ወረ ዝተሸበረን ዝኾነን ዘይኮነን መድሓኒታት ዝተጠቐመን ብዙሕ ከምዝኾ ይግመት።","category":"ናይ ሓሶት ዜና (ስኑዕ ዜና)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57046161"} {"headline":"ኤች-ኣይ-ቪ፡ ሕጂ'ውን ኣብ 2021 ዝናፈስ ግጉይ ሓበሬታታት","content":"ቅድሚ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት፡ ፖል ቶርን ናብ ገዛ ወለዱ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን፡ ከይልከፉ ብምፍራሕ፡ ነቲ ዝሰትየሉን ዝበልዓሉን ኣቑሑት ይጉሕፍዎ ነይሮም። ቶርን፡ ኤች-ኣይ-ቪ ከምዝነበሮ ምስ ፈለጠ፡ ተሓጋጋዚ ሓኪም (ነርስ) ንምዃን ዝወስዶ ዝነበረ ስልጠና ኣቋሪጽዎ። \"ናይ 20ታት ዕድመይ ብፍርሒ'የ ኣሕሊፈዮ\" ድማ ይብል። ሕጂ ግን፡ እቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝነብር ቶርን፡ መዓልታዊ ሓደ ከኒና ካብ ምውሳድን፡ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ምስ ሓኪሙ ካብ ምርኻብን ወጻኢ ብዛዕባ'ቲ ቫይረስ ብዙሕ ኣይሓስብን'ዩ። ሕክምናዊ ክንክን ዝረኽቡ ኤች-ኣይ-ቪ ዘለዎም ሰባት፡ ፍጹም ንቡር ዕምሪ ክነብሩ ይኽእሉ'ዮም። እቲ ብሰንኪ ድኹም ኣካላዊ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዝስዕብ ቫይረስ (ኤች-ኣይ-ቪ) ብመሳተዪን መብልዕን ኣቑሑት ክላባዕ ይኽእል'ዩ ዝብል ዝበለየን ዘይቅኑዕን ኣተሓሳስባ'ውን ዳርጋ ጠፊኡ'ዩ። እንተኾነ ግን፡ ግጉይ ሓበሬታታት ሕጂ'ውን ይዝርጋሕ ኣሎ። 'ፈውሲ ኣለዎ' ኬንያዊት ዶሪን ሞራ ሞራቻ ምስ ኤች-ኣይ-ቪ እያ ተወሊዳ። ኣብ 2005፡ ጓል 13 ዓመት ምስኮነት ድማ'ያ እቲ ቫይረስ ከምዘለዋ ፈሊጣ። ብመሰረት ኣብ ተለቪዥን ዝራኣየቶ መወዓውዒ ናብ ሓደ ኣብ ታንዛንያ ዝርከብ፡ ንዓኣን እቲ ቫይረስ ዝነበራ ኣዲኣን ከሕውየን ከምዝኽእል ዝዛረብ ፈዋሲ ከይዳ። \"ካብቲ ዝሸጦ ዝነበረ ካብ ቆጽለ-መጽሊ ዝተሰርሐ መስተ ሰቲና፡ ካብ ኤች-ኣይ-ቪ ናጻ ኴንና ኢልና ኣሚንና ተመሊስና\" ድማ ትብል። ነቲ ትወስዶ ዝነበረት ጸረ-ቫይረስ (ኣንቲ-ረትሮቫይራል) መድሃኒት ኣቋሪጻቶ። እቲ መድሃኒት፡ ነቲ ቫይረስ ኣብ ኣካላት ሰብ ከይራባሕ ዝገትእ'ዩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ኣካላዊ ናይ ምክልኻል ዓቕማ እናደኸመ ብምኻዱ ብሕማም ቆርበትን ኒሞንያን ተጠቒዓ። እቲ ኣብ ደማ ዝነበረ መጠን ኤች-ኣይ-ቪ ልዑል ብምዃኑ፡ ዝኾነ ማእከላይ ረኽሲ እንተ ኣጋጢሙዋ፡ ክቐትላ ከምዝኽእል'ውን ሓኪማ ኣጠንቂቑዋ። ግቡእ ክንክን እንተዘይተኻይዱሉ፡ ኤች-ኣይ-ቪ፡ ሓደ ኣካል ንዝኾነ ረኽሲታት ክከላኸል ናብ ዘይክእለሉ ደረጃ ሕማም ኤድስ (acquired immune-deficiency syndrome) ክሰጋገር ይኽእል'ዩ። ድሕሪ'ዚ፡ እቲ ፈዋሲ'የ ብሃላይ፡ \"መጠፋፍኢ\" ምዃኑ ተነጺሩላ። ንኤች-ኣይ-ቪ ክፍውስ ዝኽእል ክታበት ኮነ ፈውሲ የለን። እንተኾነ ግን፡ ፈውሲ ኣለዎ ዝብል እምነት ምስማዕ ልሙድ'ዩ ይብል፡ ፕረደዚደንት ዓለምለኻዊ ሕብረተሰብ ኤድስ ዝተባህለ ማሕበር፡ ዶ\/ር ኣዲባ ካማሩልዛማን። ኣብዚ ቀርባ እዋን፡ ካብቲ ሕማም ከምዝሓወዩ ዝገልጽ ጸብጻብ ገለ ሰባት ድማ ብዙሕ ተስፋታት ኣሕዲሩ'ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ሃገረ ኣርጀንቲና ሓንቲ ሰብ ብናይ ባዕላ ኣካላዊ ዓቕሚ ካብ ኤች-ኣይ-ቪ ናጻ ከምዝኾነት ተገሊጹ ነይሩ። ብኸመይን ስለምንታይን ዝብሉ ሕቶታት ግን ገና ኣይተመለሱን። 'ኩሉ ሳዕ ከተላብዕ ትኽእል ኢኻ' ጆይስ መንሳህ፡ ኣብ ጋና'ያ ተወሊዳ፡ ካብቲ ዘጋጠማ ተነጽሎ ንምህዳም ግን ናብ ጀርመን ተሰዲዳ። ብሰንኪ ብዛዕባ ኩነታታ ዘሎ ግጉይ ርዲኢት፡ ዝምድናታታን ስራሓን ከምዝኸሰረት'ያ ትዛረብ። እቲ ተነጽሎ፡ ኤች-ኣይ-ቪ ዘለዎም ሰባት ኩሉሳዕ ናብ መጻምድቶም ወይ ደቆም ከሰጋግርዎ ይኽሉ'ዮም ካብ ዝብል ግጉይ መደምደምታ'ዩ ዝብገስ ትብል። \"ሓደ ሰብ ኤች-ኣይ-ቪ ከምዘለዎ ንኣባል ስድራቤት ወይ መጻምድቲ ምስዝነግር. . . ሰባት ሚእቲ ካብ ሚእቲ ውሕስነት የለን፡ ሓንሳብ እንተ ተታሒዝካ ኣኺሉካ እዩ ዝብል ግጉይ ኣተሓሳስባ ኣለዎም\" ትብል መንሳህ። \"እንተኾነ ግን፡ ንነዊሕ እዋን 'ኣንቲ-ረትሮቫይራል' ዝወሰደ ሰብ፡ ክዕቀን ዝኽእል መጠን መልከፍቲ ኣየመሓላልፍን'ዩ (ዋላ'ኳ እቲ ሰብ ኤች-ኣይ-ቪ ዘለዎን፡ ንምሉእ ዕድሚኡ ሕክምናዊ ክንክን ዘድልዮ እንተኾነን\"። መንሳህ፡ መድሃኒታ እናወሰደት ኣርባዕተ ቆልዑ ወሊዳ እያ- በቲ ቫይረስ ዝተታሕዘ ኸኣ የብሎምን። ካብ 2020 ጀሚሩ፡ ብሰንኪ ዝርጋሐ ዝዋሃብ ሕክምናዊ ክንክን ካብ ኣደ ናብ ቆልዓ ዝሓልፍ መጠን መልከፍቲ ብፍርቂ ጎዲሉ'ዩ። እንተኾነ ግን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ጓላ፡ እቲ ቫይረስ ስለዘለዋ ንካልኦት ከይተሕልፍ ብዝብል ፍርሒ፡ ኣብ ጋና ካብ ቤት ምህርቲ ናብ ገዝኣ ክትምለስ ተኣዚዛ ነይራ። ኢያን ግሪን፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ናይ ሓደ 'ተረንስ ሂጊንስ ትራስት' ዝተባህለ ማሕበር ኮይኑ፡ ምስ ኤች-ኣይ-ቪ ዝነብር ሰብ'ዩ። \"ኤች-ኣይ-ቪ ንዘለዎም ሰባት፡ ንዓይ ሓዊሱ፡ እቲ ዝዓበየ ጉዳይ፡ ነቲ ሕማም ተመሓላለፍ ኮይኑ'ዩ ዝስመዓካ። \"ንብዙሕ ዓመታት፡ ንካልኦት ሰባት እቲ ቫይረስ ከየመሓላልፈሎም ተሸቑሪረ'የ ኣሕሊፈዮ። \"ንካልኦት ከመሓላልፈሎም ከምዘይክእል ምፍላጠይ፡ ዓቢ ሓርነት'ዩ ተሰሚዑኒ\" የብል ግሪን። 'ኤች-ኣይ-ቪ ኣብቂዑ'ዩ' ዋላ'ኳ ኤች-ኣይ-ቪ ናይ ሞት ፍርዲ እንተዘይኮነን እቲ ቫይረስ ዘለዎም ሰባት ምስ ምሉእ ጥዕንኦም ንቡር ሂወት ክነብሩ ዝኽእሉ እንተኾኑን፡ ናብ ጫፍ ዝኸደ ኣተሓሳስባታት ምህላዉ ከምዘሰክፎም ተሓለቕቲ ይገልጹ። \"ኣብ መዳይ ሕክምናዊ ክንክን ኤች-ኣይ-ቪ ናይ ምክልኻል ኣገባባትን ብዙሕ ምዕባለታት ተራእዮም እዮም። እንተኾነ ግን፡ ኤድስ ኣብቂዑ'ዩ ዝብል ኣተሓሳስባ፡ ንናይ ምክልኻል ስራሕ ይኹን ንኤች-ኣይ-ቪ ፈውሲ ኣብ ምርካብ ዝግበር ምርምር ሓጋዚ ኣይኮነን\" ይብል ዶ\/ር ካማሩልዛማን። ብመሰረት ኣብ 2020 ዝወጸ ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 38 ሚልዮን ሰባት ኤች-ኣይ-ቪ ነይርዎም፡ ኣስታት 700 ሽሕ ድማ ምስ ኤይድስ ብዝተሓሓዝ ሕማማት ሞይቶም (ብሰንኪ ስእነት ሕክምናዊ ክንክን ክኸውን ይኽእል'ዩ)። ፖል ቶርን ከምዝብሎ፡ መንእሰያት፡ እቲ ሕማም ናይ ዓበይቲ ሰባት ገይሮም'ዮም ዝርእይዎ። ምስኡ ዝሰማማዕ ግሪን ብወገኑ፡ መንእሰያት \"ትሑት ደረጃ ንቕሓት\" ኣለዎም ይብል። \"ኤች-ኣይ-ቪ ቀደም ዝነበረ ጥራይ ገይሮም'ዮም ዝሓስብዎ\"። 'ብኤች-ኣይ-ቪ ዝልከፍ ዓይነት ሰብ ኣይኮንኩን' ከምቲ መንእሰያት ሕማም ዓበይቲ ገይሮም ዝወስድዎ፡ ብዙሓት ከኣ ንሕደ-ጾታውያን ጥራይ ዝጸሉ ኮይኑ ይስምዖም። ኣብ ምሉእ ዓለም፡ ልዕሊ ፍርቂ ናይቶም ኤች-ኣይ-ቪ ዘለዎም ሰባት ደቂ-ኣንስትዮ እየን። ኣባል 'ፍሮንት ላይን ኤድስ ('ቅድመ-ግንባር ኤድስ) ዝተባህለ ማሕበር ዝኾነት ክሪስቲን ስተግረሊንግ ከምዝበለቶ፡ እቲ ቫይረስ ነተን ኣብ ናይ ወሊድ ዕድመ ዘለዋ ደቂ-ኣንስትዮ ካብ ዝቐትሉ ጠንቅታት ኣብ ቀዳማይ ይስራዕ። እንተኾነ ግን፡ ውሑዳት ካብተን ንሳ ዘዘራረበተን ደቂ-ኣንስትዮ'የን ብዛዕባ ዘለወን ሓደጋታት እኹል ፍልጠት ዘለወን ትብል። \"ኣገዳሲ መበገሲ ማዕከን ሓበሬታ'ዩ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ክሊ'ቲ [ናይ ወሊድ] ዕድመ ዘለዋ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ብፍላይ እተን ክጠንሳ ዝደልያ፡ ብዛዕባ መከላኸሊ ዘይብሉ ጾታዊ ርክብ ክዛረባ ስለዝጽገማ\" ትብል ክርስቲን። ዋላ'ኳ ዓቢ ገስጋስ ተኻይዱ እንተሎ፡ ዝዝርጋሕ ግጉይ ሓበሬታታት፡ ሰባት ስራሕ ክስእኑ፡ ዝምድናታት ክኸስሩን፡ ሕክምናዊ ክንክን ዋላ'ውን መርመራ ከይረኽቡን ክገብር ይኽእል'ዩ።","category":"ናይ ሓሶት ዜና (ስኑዕ ዜና)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59509366"} {"headline":"ድሕሪ ፈታኒ ጕዕዞ ስደትን ስቓይን ምስ ስድራኡ ክሕወስ ዘይከኣለ መንእሰይ","content":"ሽመይ ዲኔ ኣሕመድ ይበሃል። ወዲ 18 ዓመት መንእሰይ’የ፤ ኣብ ምብራቕ ወለጋ [ክልል ኦሮሚያ] ወረዳ ሲቡ ስሬ ጣብያ ቦቈ ጂማ ዓብየ። ካብ ሃገር ቅድሚ ምውጽአይ ኣብ ትምህርተይ ንፉዕ'የ ነይረ። ኣቦይ’ውን የተባብዐኒ ስለ ዝነበረ፡ ካብ ክፍሊ ቀዳማይን ካልኣይን እየ ዝወጽእ ነይረ። ኣብ ሻድሻይ ክፍሊ ጥራይ’የ ሳልሳይ ወጺአ። ሻብዓይ ክፍሊ ኣትየ ንሓንቲ ወርሒ ምስ ተመሃርና ግን ኣብቲ ከባቢ ጐንጺ ስለ ዝተላዕለ ቤት ትምህርቲ ተዓጽዩ። ብሰንኪ'ዚ፡ ካብቲ ዝፈትዎ ትምህርቲ ተሰናኺለ፤ ካብ ሃገር ክወጽእ ከኣ ወሲነ። ድሕሪኡ፡ መማህርተይ ዝነበረ ኣብ ግብጺ ዝነብር ሓደ ደላሊ ተሌፎን ደዊለሉ። ንሱ ከኣ ኣብ ድሬዳዋ ንዝርከብ ካልእ ደላሊ ይድውል። ካብ ሃገር ንምውጻእ 15 ሽሕ ብር ከም ዘድሊ ይነግረኒ፤ ኣነ ግን ኣነ ሰለስተ ሽሕ ጥራይ’ዩ ነይሩኒ። ክሳብ ድሬዳዋ ዘብጽሓኒ ከፊለ፡ በቲ ዝተረፈ ድማ ክዳን ገዚአ፤ ኣብ ኢደይ ዝተረፈኒ ገንዘብ ኣይነበረን። ድሬዳዋ ምስ በጻሕኩ፡ ደለልቲ ምስ ካልኦት ስደተኛታት ሓዊሶም ናብ በረኻ ሶማል ወሲዶምና። ኣብኡ፡ ዝብላዕ ዝስተ ኣይነበረናን። ሎሚ እንተበሊዕካ ጽባሕ ዘይክትበልዕ ትኽእል። ማይ ተዓቒኑ’ዩ ዝቐርበልና። ሓንቲ ሊትሮ ንኽልተ ሰብ ትወሃብ። ሶማል ምስ በጻሕና፡ ተወሳኺ ገንዘብ ንኽንከፍል ናብ ስድራ ስልኪ ደውሉ ኢሎምና። ገንዘብ ንዘይብሎም ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ይሃርሙዎም ነይሮም። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ንኽልተ ወርሒ ጸኒሕና። ብዙሓት ሰባት ሞይቶም፣ ፍርቈም ከኣ ገዲፎምና ብጅቡቲ ከይዶም። ንሕና ከኣ፡ ናብ ስዑዲ ንምኻድ መገዲ እናተሳለጠልና እንከሎ ኣነ ሓሚመ። ኣብ ጸምጸም በረኻ፡ ንነዊሕ መዓልታት ስለ ዝተጓዓዝና ከምኡ’ውን ማይን መግብን ብምስኣንና ተዳኺመ ነይረ። ምሳና ናብ ስዑዲ ክኸዱ ይጽበዩ ካብ ዝነበሩ፡ እቶም 450 ሞይቶም’ዮም። ካብዚኦም ሽሞም ዝፈልጦም ቈልዑ ኣለው። ቤተሰብና ገንዘብ ዘይብሎም እንተዀይኖም፡ ቴሌፎን ብምድዋል ስድራና እናሰምዑ ይሃርሙና። እቲ ዝደልይዎ ገንዘብ እንተዘይተላኢኹ ሓደ ዓመት’ውን እንተዀነ፡ ሒዞምና ኰፍ ይብሉ እምበር ኣየውጽኡናን። እናቀጥቀጡኻ ኣብ ኢዶም ክትደኽሞም እንከለኻ ድማ ናብ ጐደና ኣውጺኦም ይድርብዩኻ። ኣነ፡ ድሕሪኡ’የ ኣብ ኢድ ደለልቲ ከም ዝዀንኩን ገንዘብ ክልእኹለይ ከም ዝደልን ቴሌፎን ደዊለ ሓቲተዮም። ስድራ’ውን፡ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ገንዘብ ኣኻኺቦም ሰዲዶምለይ። መጀመርታ ተመለስ እንዶ ኢሎምኒ፤ ኣነ ግን እምብለይ ኢለ። ቤተሰበይ፡ 15 ሽሕ ብር ምስ ልኣኹለይ መገዲ ጀሚርና። ኣብ ውሽጢ በረኻ ንሓደ ሰሙን ብእግርና ተጓዒዝና። ኣብ ዝመሰየና እናሓደርና ምስ ወግሐ ጕዕዞ ንቕጽል። ኣብ ገምገም ባሕሪ ምስ በጻሕና፡ ካልእ ጕጅለ ኣብ ድሕረና ስለ ዘሎ ምስኦም ኢኹም ትኸዱ፡ ኢሎም ኣብ ሓደ ሕብእ ዝበለ ቦታ ኣኪቦም የቐምጡና። ካብ መንጐና ተስፋ ቘሪጾም ዝምለሱ ሰባት ነይሮም’ዮም፤ ፍርቈም ድማ ማዕረና ምስጓም ኣብይዎም ኣብ በረኻ ተሪፎም። እቶም ደለልቲ፡ ዝደለይዎ ገንዘብ ምስ ረኸቡ ኣብ ዝዀነ ቦታ እንተሞትካ’ውን ኣይግድሶምን። ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ምስ በጻሕና፡ ካልኦት ደለልቲ ናብ የመን ንምኻድ ገንዘብ ክፈሉ ይብሉና። እንተደልዮም፡ 100 ሽሕ ብር ኣምጽእ ይብሉኻ፤ ኣብቲ ሰብ ዝብሃል ዘይብሉ በረኻ ኣሲሮም ሰብ ዘሳቕይሉ ቦታ ኣለዎም። ገንዘብ የብለይን እንተኢልካዮም ድማ፡ ምስ ደኸምካ ኣውጺኦም ይድርቡዩኻ። ኣብ ሃገር ከለኹ ተመሃሪ’የ ነይረ። ምስ ኣቦይን ኣደይን ከኣ ይመሃር ነይረ። ብሰንኪ ሰላም ምስኣን ግን ዝመሃረሉ ቦታ ኣይነበረን። ብሰንኪ'ዚ እየ ወለደይ፡ ጥራውዝትይ መጽሓፍተይን ገዲፈ ናብ የመን ክስደድ ወጺአ። ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት [ኣይኦኤም] ናብ ሆስፒታል ምስ ኣእተወኒ፡ ሕጽበት ኩሊት ክገብር ከም ዘለኒ፡ ኩሊተይ ጽቡቕ ይሰርሓ ከምዘየለዋ ነጊሮምኒ። ብፍላይ የመን ምስ ኣተኹ፡ እቲ ትካል እዩ ዘሐክመኒ ነይሩ። ካብ ሃገር ክወጽእ እንከለኹ፡ ስራሕ ኣብ ዓቢይ ቦታ ክበጽሕ’የ ኢለ ነይረ። እንተዀነ፡ ከምቲ ዝሓሰብኩዎ ኣይኰነን። ምስ ሓመምኩ ብዙሕ ተጸጊመ። ንሳቶም [ሰራሕተኛታት ኣይኦኤም] እውን ምሳይ ተሸጊሮም። ካብ ሃገር ቅድሚ ምውጽአይ፡ ኦነግ ኢኹም ኢሎም ክኣስሩና መጺኦም፤ ንሕና ግን ሰለማውያን ሰባት [ገባር] ኢና። ብዛዕባ ኦነግ’ውን እንፈልጦ ነገር ኣይነበረን። ኦነግ፡ ኣብ ጫካ እምበር ኣብ ከባቢና ብዙሕ ኣይፍለጥን ነይሩ። እንተዀነ፡ ብኡኡ ምኽንያት ከከላብቱና እንከለው ኣብዚ ሰሪሕና፡ ገዛእ ርእስናን ናብራናን ክንቅይር ኣይንኽእልን ኢልና ኢና ካብ ሃገር ወጺእና። መጀመርታ ካብ ሃገር ዘውጽኣኒ ምኽንያት እዚ እዩ። እዚ ዅሉ ጕዕዞ ስደት ሓሊፈ ኸኣ ዝገደደ ጥዕናይ ስኢነ። ካብ የመን፡ ናብ ኢትዮጵያ ንምምላስ ኵነታት ከምዘመቻችኡለይ ክነግሩኒ እንከለው፡ ኣነ ናብ ስዑዲ እንተዘይከድኩ ኢለ ሓንጊደ። ኣብቲ ሆስፒታል ሓካይም ይመኽሩኒ፤ ኣብዚ ዕድመኻ ኣብ መገዲ ካብ እትተርፍ ናብ ሃገርካ ተመሊስካ ምስ ኣደኻን ኣቦኻን ክትነብር ኢና ንምዕደካ ኢሎምኒ። ግደ ሓቂ፡ ከም ኣቦ እዮም ዝሕግዙንን ዝመኽሩንን፤ ኣምላኽ ውዕለቶም ይኽፈለለይ። ኣባላት ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት እዮም ናብ ሆስፒታል ኣእትዮም ዝሕብሕቡንን ዘሐከሙንን። ኣብ ስደት እንከለና፡ ብዙሓት ሰባት ሞይቶም’ዮም። ናብ ስዑዲ እናኸዱ እንከለው ኣብ መገዲ ተሃሪሞም፣ ኣብ የመን ኣብቲ ዝደቀስኩሉ ሆስፒታል ኣትዮም ዝሞቱ ብዙሓት እዮም። ድሕሪኡ፡ ካብዝስ ናብ ኢትዮጵያ ምምላስ ይሓይሽ ኢለ ወሲነ። ናብ ሃገር ዝተመለስኩሉ መዓልቲ ዓቢ ሓጐስ ተሰሚዑኒ ነይሩ። ኣብ ስደት እንከለኹ ምስ ስድራይ ክራኸብ ኣይክእልን ነይረ። ናብ ኢትዮጵያ ምስ ተመለስኩ ግን ስድራይ ብቴሌፎን ረኺበዮም። እንተዀነ፡ ኣነ ካብ ሃገር ምስ ወጻእኩ፡ ኣብቲ ከባቢና ብምሉኡ ግጭት ተላዒሉ ኵሉ ነገራት ተቐይሩ'ዩ ጸኒሑኒ። ሕጂ፡ ስድራይ ጨዋቃ ናብ ዝበሃል ከባቢ ተመዛቢሎም እዮም ዘለው። ቤትን ንብረቶምን ኵሉ ዓንዩ’ዩ። ነበርቲ ጨዋቃ’ዮም ንዕኦም’ውን ዝሕግዙዎም ዘለው። ስድራይ ተሌፎን ክድውለሎም እንከለኹ፡ ጥሪቶምን ኵለን ተሓሪዶም ህይወቶም ጥራይ ንምትራፍ ሃዲሞም ኣብ ኢድ ሰብ ከም ዝርከቡ ነጊሮምኒ። ሓዚነ፤ ኣነ ግን ዋላ ሓደ ክገብረሎም ዝኽእል ነገር የለን። ካብ ሃገር ምስ ወጻእኩ ኩሊተይ ስለ ዝሓመምኩ ሰሪሐ ክልእከሎም ዝኽእል ነገር ኣይነበረን። ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መጻእኩ ቴሌፎን ክድውለሎም እንከለኹ፡ ‘ከመይ ከም እንመጽእ ጸጊሙና እምበር መጺእና ምርኣናካ’ ይብሉኒ። ግን ገንዘብ የብሎምን። ኣነ ሕጂ ናብቲ ዝተወለድኩሉ ከባቢ ተመሊሰ ዝኸደሉ ምኽንያት የለን። ኣብ ከባቢ ነቀምት ሰሪሐ ዝነብረሉ ወይ ትምህርተይ ዝቕጽለሉ ዕድል እንተዝረክብ ግን ደስ ምብለኒ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cglrdvn03kdo"} {"headline":"ስዑዲ ዓረብ: ኔትፍሊክስ ‘እስላማዊ ክብርታት’ ዝጥሕሱ ፊልምታት ክኣሊ ኣጠንቂቓ","content":"ስዑድ ዓረብን ሃገራት ወሽመጥን፡ ኔትፍሊክስ እስላማውን ማሕበራውን ክብርታት ዘራኽሱ ትሕዝቶ ዘለዎም ፊልምታት ክኣልይ ከም ዝጠለባ ተገሊፁ። ቁፅፅር ሚድያ ሃገራት ወሽመጥን ስዑድዓረብን፡ ኣብዚ ቀረባ ግዘ ንህፃናት ዝተዳለዉ ፊልምታት ሓዊሱ፡ ንሕጊ ዝጥሕስ እዩ ክብል ኣጠንቂቑ። እንተኾነ፡ ዝኾነ ዓይነት መረዳእታ ኣየቕረበን። ተሌቬዥን ስዑድ ዓረብ ግና፡ ኣብ ኔትፍሊክስ ብተኸታታሊ ካብ መንጎ ዝተመሓለለፉ ፊልምታት ካርቱን፡ ክልተ ሰገናት ደቂ ኣንስትዮ ንሓድሕደን ዘለወን ፍቕሪ ክገልፃን ክሰዓዓማን ዘርእይ፡ ካብ ፊልም ‘ጁራሲክ ዎርልድ ካምፕ ክሬታሴዎስ’ ዝተወሰደ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣደብዚዙ ኣርእዩ። ኣካትዓይ ፈረንሳዊ ፊልም ‘ኪዩትስ’ እውን ተወሳኺ መረዳእታ ኰይኑ ብተሌቬዥን ኣል ኢኽባርያ ቀሪቡ’ዩ። ፀብፃብ ኣል ኢኽባርያ፡ ኔትፍሊክስ፡ “ጥዕንኡ ንዝሓለወ ኣተዓብያ ህፃናት ንሓደጋ ዘቃልዑ ስነ-ምግባር ዝጎደሎም መልእኽቲ ዘርእይ ፊልም” ክብል ከሲሱ። ተለቬዥን ኣል ኢኽባርያ ኣብ ድሕረ ገፁ ዘውፅኦ ካልእ ተወሳኺ ቪድዮ ድማ፡ ፈነወ ኔትፍሊክስ፡ “ልዕሊ መጠን ኣብ ሕደ ፆታውያን ብምድሃብ፡ ርክብ ሕደ ፆታውያን ዘበረታትዕ’ዩ” ኢሉ። እቲ ጣብያ ተሌቬዥን ተመሳሳሊ ክስታት ንዘለዎም ፍሉጣት ሰባት ቃለ-መሕተት ዝገበረ ኰይኑ፡ ሰብመዚ ህፁፅ ስጉምቲ ክወስዱ ፀዊዑ። ጀነራል ኮምሽን ሚድያ ኦድዮቪዥዋልን ሰብመዚ ካውንስል ኮኦፕሬሽን ኤሌክትሮኒክስ ሚድያ ወሽመጥን ኣብ ዘውፅእዎ ልፍንታዊ መግለፂ፡ ኔትፍሊክስ፡ ኣብ ህፃናት ዝስርሑ ሓዊሱ፡ ንሃይማኖታውን ማሕበረሰባውን ክብርታት ዝጥሕሱ ትሕዝቶ ዘለዎም ፊልምታት ክኣልይን ሕጊ ከኽብርን ከም ዘዘራረብዎ ሓቢሮም። እቶም ሰብመዚ፡ ንመምርሕታት ኣኽቢሮም ነዚ ጉዳይ ከም ዝከታተልዎን፡ ኔትፍሊክስ ከምዚኦም ዝበሉ ፊልምታት ምፍናው እንተድኣ ቀፂልሉ፡ ኣድላይ ዘበለ ሕጋዊ ስጉምቲ ከም ዝወስዱ ገሊፆም። ኔትፍሊክስ፡ ኣብዚ ጉዳይ ዝሃቦ ምላሽ የለን። እታ ብሱኒ ሙስሊም እትምራሕ ስዑድዓረብ፡ ዋላ’ኳ ኣብ ፆታዊ ጉዳያትን ፆታዊ መንነትን ዝምልከት ሕጊ እንተዘይሃለዋ፡ ኣብ መንጎ ሕደ ፆታውያን ዝግበር ፆታዊ ርክብ ሓዊሱ ካብ ሓዳር ወፃኢ ዝፍፀም ፆታዊ ርክብ ብጥብቂ ዝተኸልከለ እዩ። ብመሰረት ትርጉም እስላማዊ ሕጊ እታ ሃገር፡ ኣብ መንጎ ሕደ ፆታውያን ብስምምዕ ዝፍፀም ፆታዊ ርክብ ኩነታት እቲ ተግባር ተራእዩ ብሞት ወይ ብመግረፍቲ የቕፅዕ። ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝርከቡ እንዳ ሲኒማታት፡ ሰብመዚ ስዑድዓረብ ርክብ ሕደ ፆታውያን ዘርእዩ ትሕዝቶታት ተቖሪፆም ንክወፅኡ ዘቕረብዎ ሕቶ ብኣከፋፋሊ ፊልምታት ዲዝኒ ስቱድዮ ስለዝተነፀገ፡ ‘ዶክተር ስትሬንጅ ኢን ዘ መልቲ ቨርስ ኦፍ ማድነስ’ ዝብል ፊልም ከየርኣይዎ ተሪፎም። ካብዚ ብተወሳኺ ሕደ ፆታውያን እንትሰዓዓሙ ዘርእይ ኣኒሜሽን ፊልም ‘ላይትይር’፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ብሰብመዚ ስዑድዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ከም ዝተኣገደ ይፍለጥ። ዩቲዩብ’ውን፡ እስላማዊ ክብርታት ዝጥሕሱ መወዓወዕታት ፈቒዱ ዝብል ክሲ ካብ ሰብመዚ ስዑድዓረብ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ክሲ ቀሪብሉ’ዩ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw5d7w40701o"} {"headline":"ልኡል ቻርለስ ካብ ስድራ ኦሳማ ቢን ላደን 1 ሚልዮን ፓውንድ ከምዝተቐበለ ተቓሊዑ","content":"ልኡል ቻርለስ ናይ ዌልስ ካብ ስድራቤት ኦሳማ ቢንላደን 1 ሚልዮን ፖውንድ ከምዝተቐበለ ጸብጻብ ሳንደይ ታይምስ ኣቃሊዑ። ልኡል ቻርለስ፡ መራሒ ኣልቓዒዳ ነበር ኦሳማ ቢንላደን ድሕሪ ምቕታሉ ነቲ ገንዘብ ኣብ 2013 ካብ ክልተ ኣሕዋቱ ከምዝተቐበሎ’ዩ እቲ ጸብጻብ ዝሕብር። እዚ ገንዘብ'ዚ፡ ልኡል ቻርለስ ናብ ዝመስረቶ ‘ፕሪንስ ኦፍ ዌልስ ቻሪተብለ ፉንድ’[PWCF] ዝበሃል ትካል ግብረ ሰናይ ኣታዊ ዝተገብረ ምዃኑ ኸኣ ብተወሳኺ ተገሊጹ። ቤት ጽሕፈት እቲ ልዑል፡ እዚ ገንዘብ'ዚ በቶም ነቲ ትካል ብሓደራ ዘመሓድርዎ ዝነበሩ ብዝተዋህበ ትእዛዝ፡ PWCF ከምዝተቐበሎ ከረጋግጽ ከምዝኽኣለ ገሊጹ። እቲ ቤት ጽሕፈት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “እቲ ሰልዲ ምስ ዝዀነ ካልእ ነገር ኣተኣሳሲርካ ምግላጽ ሓሶት’ዩ” ኢሉ። ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ጋዜጣ ዝንቡዕ ነገራት ወጺኡ ምህላዉ’ውን ኣብሪሁ። ቢንላደን ካብ ብጽሒት ስድራኡ፡ ኣቐዲሙ ኣብ 1994 ከምዝተሰረዘ ብምግላጽ፡ እቶም ክልተ ኣሕዋቱ ምስኡ ዝዀነ ርክብ ከምዘለዎም ዘርኢ መርትዖ ከምዘየለ ይገልጽ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ልኡል ቻርለስ፡ ም ባክር ቢን ላደን ኣብ ቤት ጽሕፈት እቲ ልኡል ምስ ተራኸቡ፡ ነቲ ሰልዲ ካብቲ ንሃብቲ እቶም ሃብታማት ስዑዳውያን ዘመሓድር ባኪር ቢን ላደንን ሓዉ ሻፊቕ ቢን ላደንን ከምዝተቐበሎ እቲ ጸብጻብ ይሕብር። ዋላ'ኳ ካብ ኣማኸርቲ ቤት ጽሕፈት እቲ ልኡልን ካብ PWCF ነቲ ሰልዲ ንዘይምቕባል ተቓውሞታት እንተነበረ፡ እቲ ሰልዲ ግን ልኡል ቻርለስ ከምዝተቐበሎ ሳንደይ ታይምስ ብዙሓት ምንጭታት ጠቒሱ ኣቃሊዑ። እንተዀነ ኣቦ ወንበር PWCF ሰር ኣን ቸሳር ንሳንደይ ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ኣብ 2013 ኣታዊ ዝዀነ ገንዘብ “እኸል ጥንቃቐታት ተገይርሉ” እቶም ሓሙሽተ ብሓደራ ኣብቲ እዋን ነቲ ገባሪ ሰናይ ትካል ዘመሓድሩ ሰባት ተሰማሚዖም ዝተቐበልዎ ከምዝዀነ ኣብሪሁ። ሰር ኣን ቸሳር መንግስቲ ከይተረፈ ተሓቲቱ ብግቡእ ተሓሲብሉ ኣታዊ ከምዝተገበረ ገሊጹ። ኣስዒቡ፡ “ነቲ ገንዘብ ንምቕባል ተሓሲብሉ፡ እቶም ሓሙሽተ ብሓደራ ኣብቲ እዋን ነቲ ገባሪ ሰናይ ትካል ዘመሓድሩ ዝነበሩ ሰባት ዘትዮምን ሓቲቶምን ዝተቐበልዎ’ዩ፡ ስለዚ ነዚ ምስ ካልእ ነገር ምትእስሳሩ ዘይቅኑዕ’ዩ” ኢሉ። ጋዜጤኛ ቢቢሲ ጆኒ ድያሞንድ፡ ኣብቲ እዋን ዋላ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ተሓቲቱ፡ PWCF ነቲ ሰልዲ ክቕበልዎ ከምዝኽእሉ ከምዝተሓበሮም ብምግላጽ፡ ዝተጠሓሰ ሕጊ ኣይነበረን ይብል። ቢቢሲ ካብ ቤት ጽሕፈት እቲ ልኡል ካብ ዝርከቡ ምንጭታቱ ብዝረኸቦ ሓበሬታ፡ “ሓጢኣት ኦሳማ ቢን ላደን፡ ንኻልኦት ኣባላት እቲ ስድራ ግብረ ሰናይ ካብ ምግባር ክዕንቕፎም የብሉን” ዝብል’ዩ። ማዕረ ማዕረኡ ልኡል ቻርለስን ኣብ ዙርያኡ ዝርከቡን ካብ ኣሕዋት ቢን ላደን ሰልዲ ክቕበሉ ነይርዎም ዶ? ወይስ ክሳብ ሰብ ዘይፈለጠ ጽቡቕ’ዩ ኢሎም’ዮም ሓሲቦም? ዝብል ሕቶ’ውን ይልዓል’ዩ። መራሒ ኣልቓዒዳ ኦሳማ ቢን ላደን፡ ሓደ ካብቶም ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝድለዩ ዝነበሩ ዕሉላት ግብረ ሽበራውያን እዩ። ንሱ ነቲ 11 መስከረከም 2011 ኣብ ማናቱ ህንጻታት ኒውዮርክ ዝተፈጸመ 67 ብሪጣንያውያን ዝርከብዎም ኣስታት 3000 ሰባት ዝሞትሉ መጥቃዕቲ ዝሃንደሰ ምዃኑ’ዩ ዝንገር። ኦሳማ ቢል ላደን ኣብ 2011’ዩ ብወተሃደራት ኣሜሪካ ተቐቲሉ። ቢቢሲ ካብ PWCF ዝረኸቦ ሓበሬታ፡ “እቲ ቢን ላደን ዝብል ስም ኣብ ታሪኽ ብጽቡቕ ዘይልዓልን ምቹእነት ዘይፈጥርን’ኳ እንተዀነ፡ እቲ ናቱ ሓጢኣት ናብቶም ኣብቲ ዞባ ዓቢ ዝና ዘለዎም ካልኦት ኣባላት ስድራቤቱ ክሰጋገር የብሉን” ይብል። ብተወሳኺ፡ እቲ ሰልዲ ክውፈ እንከሎ፡ ንምቕባሉ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ከይተረፈ ተቐበልዎ ዝብል ምኽሪ ከምዝሃበ የብርህ። እቲ ብልዑል ቻርለስ ዝተመስረተ ትካል ግበረ ሰናይ PWCF ምስ ዝውፈየሉ ገንዘብ ተተሓሒዙ ክሕመ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝወጽአ ጸብጻብ’ውን ልዑል ቻርለስ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ቐጠር ነበር ብጠቕላላ 2.5 ሚልዮን ፓውንድ ዝሓዘ ሰለስተ ባልጃታት ገንዘብ ከምዝተቐበለ ጸበጻባት ወጺኦም ነይሮም’ዮም። ቤት ጽሕፈት እቲ ልዑል ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ግዜኡ ዝሃቦ ቓል እቲ ካብቲ ቀዳማይ ሚኒሰትር ነበር ዝተወፈየ ገንዘብ፡ ኵሉ መስርሓት ሓሊፉ ናብ ሓንቲ ካብተን ብልዑል ቻርለስ ዝተመስረተት ትካል ግብረ ሰናይ ኣታዊ ከምዝዀነ ገሊጹ ነይሩ። እንተዀነ ኮሚሽን እቲ ግብረ ሰናይ ብዛዕባ እቲ ሰልዲ ዝዀነ ምጽራይን መርመራን ከይግበር ውሳነ ከምዘሕለፈ ይዝከር። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ፍራንክ ጋርድነር፡ እቲ ቢን ላደን ዝብል ስም ንሚልዮናት ስዑዳውያን ቅር ዘየብል ስም ክኸውን እንከሎ፡ ምዕራባውያንን ዝበዝሐ ክፋል ዓለምን ነቲ ሽም ምስቲ ኣብ 11 መስከረም 2011 ኣብ ኒውዮርክ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከምዘተኣሳስርዎ ይገልጽ። ኣብ ስዑድያ እዚ ሽም እዚ ነቲ ኣብ ጂዳ ዝመደበሩ ካብ ነዳዲ ብዝረኸቦ ኣታዊታት ዝተፈላለየ መሳጊድ፡ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስትን ኣባይቲ ልኡላውያን ቤተሰብን መዊሉ ዝሃንጽ ትካል ህንጻ’ዩ ዘዘኻኽሮም። ስድራቤት ቢን ላደን ቀንዲ መበቈሎም ካብ ስዑድያ ኣይኰነን፣ ኣብ 20 ክፍለ ዘመን’ዮም ካብ ደቡብ የመን ናብ ስዑድያ ኣትዮም። ኣብ ጅዳን ካበቢኣን ከኣ ንሕና ዝበሉ ሃብታማት ስድራ ክዀኑ በቒዖም። ኦሳማ ቢን ላደን ሓደ ካብቶም ነቲ ኣብ ስዑድያ ዓብላሊ ዝዀነ ሃብቲ ካብ ዝመስረቱ ኣባለት እቲ ስድራ ኰይኑ፡ ኣብ 1980ታት ነቶም ኣንጻር ሶቭየት ሕብረት ዝቃለሱ ዝነበሩ እስላማውያን ጕጅለትተ ንምሕጋዝ ኣብ ኣፍጋኒስታን’ዩ ዝነብር ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ ኸኣ ኣብ ጐድኒ እቶም ኣንጻር ሕብረት ሶቭየት ዝቃለሱ ዝነበሩ ማእከላይ ወኪል ስለያ ኣሜሪካን [CIA] ፓኪስታንን ኰይኑ’ዩ ዝቃለስ ነይሩ። እንተዀነ ኣብ 1990ታት ሕሉፍ እስላማዊ ስለዝዀነ ኣብ 1994 ስድራኡ ካብቲ ብጽሒት ናይ ሃብቶም ከምዝሰረዝዎ ይግለጽ። ብድሕሪ’ዚ ኦሳማ ቢን ላደን ናብ ሱዳን እዩ ከይዱ፡ ጸኒሑ ኸኣ ክሳብ ሕልፈቱ ዝበዝሐ ግዚኡ ኣብ ኣፍጋኒስታን’ዩ ነቢርዎ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c253x0y7qq1o"} {"headline":"ምስጢር ሞት ክልተ ስዑዳውያን ኣሓት ኣብ ኣውስትራልያ እንታይ እዩ?","content":"ብ7 ሰነ፡ ሰበስልጣን ኣውስትራልያ፡ ማዕጾ ናይ ሓደ ኣብ ከተማ ሲድኒ ዝርከብ ኣፓርታማ ዃሕኵሖም። መልሲ ግን ኣይረኸቡን። ኣብ ኣፍ ደገ ናይቲ ገዛ ከኣ ኵምራ ደብዳበታት ረኺቦም። እተን ተኻረይቲ ንልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ክራይ ኣይከፈላን። ፖሊስ፡ ናብ ውሽጢ እቲ ኣብ ካንተርበሪ ሲድኒ ንዝርከብ ገዛ ሰይሮም ምስ ኣተው፡  ሬሳ ናይ ክልተ ካብ ስዑዲ ዓረብ  ዝመጽኣ ሓተትቲ ዑቕባ'ዮም ረኺቦም። ኣስክሬን፡ ኣማል ዓብደላ ኣልሽሊን ሓፍታ ኣስራ ዓብደላ ኣልሽሊን ኣኣብ መደቀሲ ክፍለን ጸኒሑዎም። እተን ኣሓት ካብ ዝሞታ ድሮ ሳምንታት ገይረን ነይረን። ሬሳ ናይተን ደቂ 23ን 24ን ኣሓት መንእሰያት ካብ ዝርከብ ክልተ ወርሒ እኳ እንተሕለፈን ፖሊስ ሰፊሕ መርመራ እንተተገብረን ንኣማውታአን ዝምልከት ሓበሬታ ክረክብ ኣይከኣለን። ማዕጾ ገዝአን ኣይተሰብረን፣ ኣብቲ ሬሳ እውን ብሓይሊ እተፈጸመ ኣካላዊ መጉዳእቲ ኣይተረኽበን። ስለ ዝዀነ እቲ ዘይንቡር ዝመስል ኣማውታ ንፖሊስ እታ ከተማ ሰፊሕ ጥርጣረ አሕዲሩሎም። መራኸቢ ብዙሓን እቲ ከባቢ፡ ኣፈናዊ ምርመራ ፖሊስ ምንም ውጽኢት ከም ዘየርኣየን  እተን ኣሓት ብኸመይ ከም ዝሞታ ዘረድእ ናይ ሰብ ሞያ ምርመራዊ ውጽኢት ይጽበያ ከም ዘለዋ ሓቢረን። ኢንስፔክተር ክላውድያ ኦልክሮፍ፡ “ብዛዕባ እተን ደቀንስትዮ ብዙሕ ንፈልጦ ነገር የለን” ብማለት ህዝቢ ዝፈልጦን ዝረኣዮን ነገር ብምንጋር ክተሓባበሮም ጸዊዑ ኣሎ። ብዛዕባ እተን ደቀንስትዮ ብወግዒ ዝተገልጸ ሒደት እኳ እንተኾነ፡ እተን ኣሓት፡ ኣብ 2017 እየን ካብ ስዑዲ ዓረብ ናብ ኣውስትራሊያ ኣትየን ዑቕባ ሓቲተን። ስለምንታይ ዑቕባ ከም ዝሓታት ግን እቶም ሰበስልጣን ኣይሓበሩን ። ፖሊስ፡ ንስድራ ቤተን ክጥርጥሩሉ ዝኽእሉ መረዳእታ ኣይረኸቡን። ክልቲአን ኣሓት፡ ኣብ ሓደ ናይ ሞያ ቤት ትምህርቲ እናተማህራ፡ ከም ተቘጻጸርቲ ትራፊክ ኰይነን ይሰርሓ ነይረን። እቲ ዘጽንዐኦ ዝነበራ ትምህርቲ ግን እንታይ ምዃኑ ኣይተፈልጠን። ጎረባብተን፡ እተን ኣሓት ምስ ሰባት ከም ዘይራኸባን ንጽል ኢለን ንብሕተን ከም ዝነብራን ንማዕከናት ዜና ሓቢሮም። ማይክል ቤርድ ዝተባህለ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ተኻርየን ዝነብራሉ ዝነበራ ህንጻ፡ እተን ኣሓት ቅድሚ ምማተን  ኣብ ዝነበረ ኣዋርሕ፡ ንካሜራ ናይቲ ህንጻ ብሓባር ክርእዩዎን ዝጻረ ነገር ከጻርያ ከም ዝደልያን ከም ዝሓተትኦ ሓቢሩ። ማይክል ቤርድ ከም ዝሓበሮ እቲ መግቢ ዘምጽኣለን ዝነበረ ሰብ “ገለ ነገር ይገብር ኣሎ”  ዝብል ጥርጣረ ነይሩወን እዩ። እቲ ቪድዮ ግን ዋላ ሓደ ኣየርኣየን። ቤርድ ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ፖሊስ ደሃየን ክገብሩ ሓቲቱዎም ነይሩ። እተን ኣሓት ግን ነቶም ሰበ-ስልጣን፡ ጽቡቕ ከም ዘለዋ ከም ዝነገርኦም ሓቢሩ። ዳሕራይ ነተን ኣሓት ንበይኑ ከይዱ ምስ ኣዘራረበን ግን ብገለ ነገር ብፍርሒ ዝተዋሕጣ ኮይነን ከም ዝረኸበን ንጋዜጣ ሲድኒ ሞርኒን ሄራልድ ተዛሪቡ። ፖሊስ ብኣማውታ እተን ኣሓት ስቕታ’ኳ እንተመረጸ እቲ ጉዳይ ግን ኣብ ኣውስትራልያ፡ “ርእሰ ቅትለት ድዩ፡ ወይስ ብረቂቕ ጥበብ እተፈጸመ ቅትለት” ብዝብል ኣዛራቢ ዛዕባ ኮይኑ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ብፖሊስ ዝተረጋገጸ ነገር እኳ ኣይሃሉ እምበር፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ግን ሓያሎ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ዝመስል ዘይንጹር ሓበሬታ ይወጽእ ኣሎ። ሓንቲ ካብተን ዝሞታ ኣሓት፡ ብሰንኪ ጾታውነታ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ስግኣት ኣሎኒ ክትብል ስደት ከም ዝመረጸት፡ ሓፍታ እውን ብምኽንያት ውልቃዊ እምነታ፡ ኢ-ኣማኒት ብምዃና ከም ዝተሰደት ሓንታ ናይ ኣውስትራልያ ጋዜጣ ጸብጺባ ኣላ። ኣብታ ዓቃባዊት እስላማዊት ሃገር ስዑዲ ዓረብ እዚ ክልቲኡ ምኽንያታት ብኸቢድ ዘቕጽዕ ዘይሕጋዊ ተግባር እዩ። ኮርፖሬሽን ብሮካስቲንግ ኣውስትራሊያ (ABC) ከም ዝጸብጸቦ ኣብ ክፍሊ እተን መወትቲ ኣሓት ናይ ክርስትያን መስቀል ዘለዎ ናይ ክሳድ ካቴና (ሓብል) ከምእተረኽበ ሓቢሩ ። ሕቶ ዑቕበአን ከም ዝተነጽገን ክራይ ገዛ ንምኽፋል ከም ዝተሸገራን ዝገልጽ ካልእ ጸብጻብ እውን ኣሎ። ሓደ መንነቱ ዘይተገልጸ ሰብ፡ ሓደ ዘይፈልጦ ሰብኣይ ኣብቲ እተን ኣሓት ዝነብራሉ ኣፓርትመንት ክኣቱን ክወጽእን ከም ዝረኣዮን ምስ ሓተቶ ከኣ ካብ ናይተን ኣዋልድ ኣፓርታማ ከም ዝወጽአ ከም ዝነገሮን ንማዕከን ዜና ኣውስትራልያ ABC ሓቢሩ። እታ ዓባይ መዋቲት ኣስራ፡ ኣብ 2019 ኣብ ልዕሊ ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ ሰብኣይ ናይ እገዳ ትእዛዝ ከም ዝሓተተትን፡ ነዊሕ ከይጸንሐት ግን ከም ዘልዓለቶን ተፈሊጡ ። ፖሊስ ብዛዕባ እዚ ጸብጻባት’ዚ ርእይቶ ኣይሃበን፤ ቢቢሲ እውን ነዚ ሓበሬታ እዚ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን ። ነቲ ዝነብራሉ ዝነበራ ኣፓርትመንት ንምክራይ ኣብ ዝወጽአ ምልክታ፡ \"ፖሊስ፡ ኣብቲ ቤት ገበን ከም ዘይተፈጸመን ንማሕበረሰብ ሓደጋ ከስዕብ ዝኽእል ነገር ከምዘየለን የረጋግጽ\" ዝብል ምሉእ ሓሳብ ይርከቦ። ሞት ኣስራን ኣማልን ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝነብራ ስዑዳውያን ደቀንስትዮ ፍርሕን ጥርጣረን ኣስዒቡ ኣሎ። ሓንቲ ሳፋ ዝተባህለት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላትን ሰኣሊትን  \"መብዛሕትና ንድሕሬና ቁሊሕ እናበልና ኢና ንነብር\" ኢላ። ሰበ-ስልጣን ስዑድን ቤተሰቦምን ንወጻኢ ኣብ ዝገሻን ተሰዲደን ንዝነብራን ስዑዳውያን ደቀንስትዮ ሓደጋ ምዃኖም ንቢቢሲ ሓቢራ። ንታሪኽ ዲና ዓሊ ላስሎሞ ብምጥቃስ ከኣ፡ ኣብ 2017፡ ካብ ፊሊፒንስ ብኣዝማዳ ተገዲዳ ናብ ስዑዲ ዓረብ ድሕሪ ምምላሳ ኣበይ ከም ዝኣተወት ከም ዘይትፍለጥ ሓቢራ። ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝወጽኣ ኣስራን ኣማልን ኣብታ ውሕስቲ ዝበላኣ ከተማ ሲድኒ ነብሰን ቀቲለን ዝብል ወረ ንክትኣምኖ ከቢድ ምዃኑ ትዛረብ። ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ኣቢሉ መብዛሕቶም ካብ ስዑዲ ዝመጽኡ ሓተትቲ ዑቕባ ብዛዕባአን ይፈልጡ ኔሮም ትብል ። \"ሓደ ዝተፈጥረ ሽግር ክህሉ ኣለዎ። ንሱ ከኣ እዩ ናብ ፍርሕን ተነጽሎን ኣምሪሑወን” ኢላ። እተን ኣሓት ብኸመይ ከም ዝሞታ ብዘየገድስ ኣውስትራሊያ \"ድሕነተን ኣብ ምርግጋጽ ከም ዝፈሸለት ንጹር እዩ\" ትብል ተመራማሪት ሁማን ራይትስ ዎች ሶፊ ማክኒል። ናይ ዝዀነ ይኹን ሓታቲ ዑቕባ፡ ህይወት \"ኣዝዩ ጽንኩር\" እኳ እንተ ኰነ፡ ናይ ስዑዳውያን ደቀንስትዮ ብፍላይ ግን ተነቃፊ ምዃኑ ንቢቢሲ ተዛሪባ ። \"ካብ ሶርያ ወይ ኣፍጋኒስታን እንተዀይንካ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት ዝርከቡ ብዙሓት ሰባት ስለ ዝህልው እቲ ኩነታት ደሓን እዩ። ስዑዳውያን ሓተትቲ ዑቕባ ግን ውሑዳት ስለ ዝዀኑ ብዙሕ ፍርሒን ረበሻን ኣሎ\" ትብል ማክኒል። ኣብ ልዕሊኡ ብዙሓት ሰባት ቊጠባዊ ጸገማት የጋጥሞም እዩ። እቶም ሓተትቲ ዑቕባ ጉዳዮም ክሳብ ዝረአ ከኣ ኣዝዩ ውሑድ ኣበል እዩ ዝወሃቦም። ማክኒል፡ \"[እቶም ስዑዳውያን ሓተትቲ ዑቕባ] መብዛሕትኦም ፍሉይ ኣተዓባብያ ዝነበሮም ብገንዘብ ዘይሽገሩ እዮም ነይሮም። ነቲ ኩሉ ገዲፎም ንውሕስነት ቀዳምነት ሂቦም ምምጽኦም ንባዕሉ ድፍረትን ትብዓትን እዩ\" ትብል ። ሳፋ ኸምዚአን ዝኣመሰላ ደቀንስትዮ ፍሉይ ዝበለ ነገራት ከም ዘጋጥመን እያ ትኣምን። እተን ኣሓት ቪዛ ተኸልኪለን ነይረን ዝብል ጸብጻብ ሓቂ እንተኾይኑ፡ \"ሸለልትነትን እንታይ ገደሸንን ዝተመልኦ” ስለ ዝዀነ ናይ ብሓቂ ኣጨኒቑወን ከም ዝኸውን ኣየጠራጥርጥን እዩ ትብል። ሳፋ፡ \"ዚድግፈን ኮነ ኣብ ጎድነን ኮይኑ ኣጆኽን ዝብለን ሰብ ብዘይምንባሩ ናይ ብሓቂ ዘሕዝን ጭንቀት ተሰሚዑወን ነይሩ ክኸውን ይኽእል’ዩ። “ንኣውስትራሊያ ድሕነተን ክዕቅባ እየን መጺአን ንሕና ግን ኣይሓገዝናየንን” ከኣ ትብል።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ckkypzg1r1xo"} {"headline":"ሓንቲ ስዑዳዊት ኣብ ትዊተር ብዘስፈረቶ ጽሑፍ 45 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዳ","content":"ኑራ ኣልቓሕታኒ ዝተባህለት ስዑዳዊት ጓለንስተይቲ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝለጠፈቶ ጽሑፍ ን45 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዳ። እዚ ድማ፡ ብተመሳሳሊ ምኽንያት ኣብዚ ወርሒ ዝተዋህበ ካልኣይ ጉዳይ ምዃኑ ጕጅለታት ደለይቲ ፍትሒ ‘ታ ሃገር ይገልጹ። ቤት ፍርዲ ግብረሽበራ፡ ኑራ፡ \"ኢንተርነት ተጠቒማ ማሕበራዊ ምትእስሳር ምብጥጣስ\" ከምኡ’ውን \"ማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠቒማ ህዝባዊ ስርዓት ግሂሳ\" ክብል ብይን ከም ዝሃበ፡ ጕጅለ ተጣበቕቲ መሰላት ‘ቲ ዞባ ይሕብር። ኑራ ኣልቓሕታኒ፡ ንሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ከምዝነቐፈት እንተዘይኰይኑ፡ ብዛዕባኣ ብዙሕ ዝፍለጥ ነገር የለን። ኣብታ ሃገር ካልእ ጓለንስተይቲ’ውን፡ ኣብ ትዊተር ብዝገበረቶ ንጥፈታት፡ ብ 9 ነሓሰ ን34 ዓመታት ማእሰርቲ ከም ዝተፈርዳ ይዝከር። ዳይረክተር ምርምር ዞባ ወሽመጥ ዓረብ ዓብደላ ኣልዖድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ጕጅለ ተመራመርቲ፡ ብዛዕባ ጉዳይ ኑራ ክፈልጥ ዝኸኣለ ፍርዲ ድሕሪ ምሕላፉ’ኳ እንተዀነ፡ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ መርመራኡ ይቕጽል ከምዘሎ ገሊጹ። \"ኣብ ሰነዳት ቤት ፍርዲ ዝዀነ ምስ ዓመጽ ወይ ገበናዊ ንጥፈታት ዝተኣሳሰረ ነገር የብላን\" ከኣ ይብል። \"እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝቐረበ ክሲ ኣመና ሰፊሕ እዩ። ሕጊ ጸረ-ሽበራን ሕጊ ጸረ-ገበን ሳይበር ጠቒሶም ኣለዉ... እዚ ድማ ካብ ርሑቕ’ውን ንመንግስቲ ዝወቅስ ዝዀነ ይዅን ነገር ምልጣፍ ከም ገበን ዝርኢ ሕጊ እዩ\" ክብል ብተወሳኺ የረድእ። ንሱ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ስዑድ ዓረብ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ፡ ሓያሎ ደቀንስትዮ ነጠፍቲ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስ ዝልጥፋኦ ጽሑፋት ብዝተኣሳሰር ኣብ ቀይዲ ኣትየን ኣለዋ። ኣልዖድ ኣተሓሒዙ፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ፍርዲ ነዊሕ ዓመታት ማእሰርቲ ከይብየነለን ዘለዎ ስግኣት ይገልጽ። \"[እዚ ኸኣ] መንግስቲ ስዑድያ ብዛዕባ ሰባዊ መሰላት ፍጹም ተገዳስነት ከም ዘይብሉ ዘግህድ፡ ንምዕራባውያን ሃገራት ዝኸውን መርትዖ እዩ፡” ኢሉ። ኣልዖድ፡ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ጅዳ ኣብ መንጐ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ልኡል መሓመድ ሳልማን ዝተካየደ ርክብ፡ ሓደ ካብ ጕዳያት፡ ብዛዕባ’ዚ ዝርአ “ዓፋኒ መጥቃዕትታት\" ክኸውን ከም ዝኽእል ምግማት ከምዘየጸግም ኣተንቢሁ። ባይደን፡ ስዑዲ ዓረብ ብሰንኪ ዘለዋ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ሰባዊ መሰላት “ንጽልቲ” ሃገር ክገብራ ከም ዝኽእል፡ ቅድሚ ሕጂ ተሓንዩ ነይሩ። ብሪጣንያ ዝመደበሩ ጕጅለ ሰባዊ መሰላት ‘ALQST’ ብወገኑ፡ ብዛዕባ’ቲ \"ኣብ ትዊተር ዝለጠፈቶ ጽሑፍ\" ምኽንያት ገይሩ ኣብ ልዕሊ ኣልቓሕታኒ ዝተዋህበ ፍርዲ ዘለዎ ዓሚቝ ተገዳስነትን ስክፍታን ገሊጹ። \"ከምቲ ዝተሰግአ፡ እዚ መርኣያ ናይቲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ እናንቈልቈለ ዝመጽእ ዘሎ ጕዳይ ሰባዊ መሰላት እዩ፡” ክብል ወሲኹ ገሊጹ። ‘እሱራት ሕልና ስዑድያ’ ዝብል ገጽ ማሕበራዊ መራኸቢ ነቲ ዝተዋህበ ፍርዲ ዘረጋግጽ ጽሑፍ ኣብ ትዊተር’ኳ እንተስፈረ፡ ዛጊት ካብ ሰበ-ስልጣን ‘ታ ሃገር ዝተዋህበ ዝዀነ ርእይቶ ግን የለን። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊድስ ተመሃሪት ‘ፒኤችዲ’ ዝነበረት ስዑዳዊት ሳልማ ኣ’ሸሃብ፡ ኣብ ፈለማ ወርሒ ነሓሰ፡ ብተመሳሳሊ ን34 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪድዋ እዩ። ንሳ፡ ኣብ ጥሪ 2021 ኣብ እዋን ዕረፍታ ንስዑዲያ ኣብ ዝበጽሓትሉ እዋን ዝተታሕዘት ኰይና፡ \"ህዝባዊ ስርዓት ክዘርጕ ንዝተላዕሉ ብምሕጋዝ\" ከምኡ’ውን፡ \"ሓሶትን ቤላቢለዋትን ብምጽሓፍ\" ገበነኛ ተባሂላ። እታ ጓል 34 ዓመት ኣደ ክልተ ቈልዑ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ትመሃር ኣብ ዝነበረትሉ፡ ነቲ ብልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ብዝተወስደ ስጕምቲ ዝተኣስሩ ተቓወምቲ፡ ፍሉጣት ደለይቲ ፍትሕን ምሁራትን ክፍትሑን ጽገናታት ክግበርን ትጽውዕ ነይራ። እዚ ንኑራ ኣልቓሕታኒ ዝተበየነ 45 ዓመት ማእሰርቲ፡ ኣብታ ሃገር ንሓደ ሰላማዊ ተቓላሳይ ዝተዋህበ ዝነውሐ ፍርዲ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c8918q7jgq2o"} {"headline":"ኣዋልድ ኣብ መዕቆቢ ዘኽታማት ክቕጥቀጣ ዘርኢ ቪድዮ ቁጥዐ ፈጢሩ","content":"ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ሓደ መዕቆቢ ዘኽታማት ንዝርከባ መንእሰያት ኣዋልድ ክሃርሙ ዘርኢ ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርግሑ ቪድዮታት ኣመልኪቱ መርመራ ከምዝኸፈቱ ገሊጾም። ኣብቲ ዘይተረጋገጸ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ፖሊስን ሲቪል ዝለበሱ ሰበስልጣናትን ኣብ ኻሚስ ሙሻይት ኣብ ዝርከብ ቤት ማሕበራዊ ትምህርቲ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ይረኣዩ። ሓደ በዓል ስልጣን ንሓንቲ ተእዊ ጓል ብጸጉራ መሬት ንመሬት ጎቲቱ ክወስዳ እንከሎ፡ ሓደ ፖሊስ ድማ ብቑልእፊ (ቐበቶ) ክሃርማ ይርአ። ንካልኦት ኣዋልድ ድማ ብናይ ዕንጨይቲ በትሪ እናቐጥቀጡ ከባርርወን እውን ኣብቲ ቪድዮ ይርአ እዩ። ኩነታትን ግዜን እቲ ፍጻመ ንጹር እኳ እንተዘይኮነ፡ እተን ኣዋልድ \"መሰለን ካብቲ መዕቆቢ ዘኽታማት ሓቲተን ምስተነጽገን\" ብድሕሪኡ \"ኣንጻር ብልሽውናን በደልን ኣድማ\" ኣብ ዘካይዳሉ እዋን ዝተፈጸመ ከምዝኾነ፡ ሓንቲ ነተን ቪድዮታት ከም ዘርትዐት ትዛረብ ተጠቃሚት ትዊተር ትገልጽ። እታ ተጠቃሚት ትዊተር ጸኒሓ ናይተን ኣዋልድ ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ዘጋጠመን ቁስሊ ዘርእዩ ዝበለቶም ስእልታት ብምዝርጋሕ፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እቶም ቪድዮታት ካብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንኽወርዱ ከምዘፈራርሖም ሓቢራ። ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ተቓወምትን በቲ ሰሉስ ምሸት ዝተዘርገሐ ቪድዮ ቁጥዐኦም ክገልጹ እንከለዉ፡ \"ካሚስ_ሙሻይት_ዘኽታማት\" ዝብል ሃሽታግ ድማ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ትዊተር ትረንድ ክገብር ጀሚሩ። እቲ ቪድዮ \"ዘሰክፍ\" ከምዝኾነ ዝገለጸ፡ ኣብ ዓባይብሪጣንያ ዝመደበሩ ጉጅለ መሰላት ALQST፡ ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ \"እቶም ገበነኛታት ክሕተቱ ክገብሩ ኣለዎም\" ይብል። ነቲ \"ሕሱም መጥቃዕቲ\" ኮኒኑ፡ \"ኣብ መዕቆቢ ዘኽታማት ዝርከባ ኣዋልድ መሰረታዊ መሰላተን ንኽጥቀማ ምእንቲ ሓለዋ ንክግበረለን\" ዝሓተተ ድማ ኣብ ስደት ብዝርከቡ ተቓወምቲ ዝቖመ ተቓዋሚ ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ እዩ። ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ምዕራብ ኣሲር ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ዝምርምር ኮሚተ ኣቚሙ ከምዘሎን፡ ርኽበታቱ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ከምዝመሓላለፍን ገሊጹ እዩ። እዚ ፍጻመ እዚ ዘጋጠመ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብዛዕባ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ዓለምለኻዊ ስክፍታ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት መንግስቲ እታ ሃገር ደቂ ኣንስትዮ መኪና ከይዝውራ ዝገብር እገዳ ኣልዒሉ፡ ሕግታት ሓላፍነት ደቂ ተባዕትዮ ኣቕሊሉን እንተኾነ’ኳ ከም ኣካል ኣንጻር ተቓውሞ ዝውስድ ዘሎ ስጉምቲ፡ ፍሉጣት ደቂ ኣንስትዮ ደለይቲ ፍትሒ እውን ኣሲሩ እዩ። ዳውን ዝበሃል ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሓንቲ ስዑዳዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ንመራሕቲ ንግስነት ዝነቅፍ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዘቕረበቶ ጽሑፋት፡ ን45 ዓመታት ማእሰርቲ ከምዝተፈርደት ይሕብር። ሰነዳት ቤት ፍርዲ ከም ዘመልክትዎ፡ ኑራ ቢንት ስዒድ ኣል-ቃሕታኒ \"ኢንተርነት ተጠቒማ ማሕበራዊ ስርዓት ብምዝራግ\" ከምኡ'ውን \"ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምጥቃም ህዝባዊ ስርዓት ብምጥሓስ\" እዩ ተፈሪድዋ። ካልእ ስዑዳዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ተማሃሪት ፒኤችዲ ዩኒቨርሲቲ ሊድስ ሳልማ ኣል-ሸሓብ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ብሰንኪ ኣብ ትዊተር ዝገበረቶ ንጥፈታት ን34 ዓመታት ተፈሪዳ እያ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1e5ely2wwo"} {"headline":"ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ቀዳማይ ሚኒስተር ስዑዲ ዓረብ ኮይኑ","content":"ወራሲ ዘውዲ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኑ ተመዚዙ። እዚ ስልጣን እዚ ብባህሊ እቲ ንጉስ ዝሕዞ'ኳ እንተነበረ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ብሚኒስተር ምክልኻልን ዝተገልጸ ንጉሳዊ ኣዋጅ ግን ካብቲ መሰረታዊ ሕጊ ዝተፈልየ እዩ። እቲ ወዲ 37 ዓመት ወዲ ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ፡ ድሮ ብግብሪ መራሒ ናይታ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ሃገር፡ ስዑዲ ዓረብ ኮይኑ ይረአ ኣሎ። ነዚ ስዒቡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ሎሚ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ስዑዲ ዓረብ ኮይኑ ዝተመዘዘ መሓመድ ቢን ሳልማን ናይ ዮሃና መልእኽቲ ከምዝለኣኸ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ኣፍሊጡ። እቲ ጽሑፍ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መልእኽቱ ኤርትራ: ኣብ ምዕባይ ሰናይ ሕውነታዊ ምትእስሳር ክልቲአን ሃገራት ዘለዋ ምሉእ እምነት ከምዘስመረሉ’ውን ይጠቅስ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ሓደ በዓል ስልጣን ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እዚ ስጉምቲ ምስቲ ቅድሚ ሕጂ እቲ ንጉስ ነቲ ልዑል ምስ ዝሃቦ ዕማም ዝሰማማዕ ምዃኑ ሓቢሩ። \"እቲ ልኡል ወራሲ ዘውዲ ... ድሮ ንቐንዲ ፈጸምቲ ኣካላት እታ ሃገር መዓልታዊ ይከታተሎም ኣሎ፡ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኽተሎ ሓድሽ ተራ ድማ ምስቲ ኩነታት ዝሰማማዕ እዩ\" ይብል እቲ በዓል ስልጣን። ሽመት መሓመድ ቢን ሳልማን \"ጭቡጥ ተራኡ ወግዓዊ ዝገብርን ቅድሚ ሕጂ ምስ ካልኦት መራሕቲ መንግስቲ ዝነበረ ናይ ፕሮቶኮል ሕቶታት ሽመት ከም ዘወገደን\" ምስ ንጉሳዊ ቤት ፍርዲ ቅርበት ዘለዎ ስዑዳዊ ተንታኒ ዓሊ ሺሃቢ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። \"ሕጂ ብጭቡጥ ጥራይ ዘይኮነስ ብሕጊ ከም መራሒ መንግስቲ ኮይኑ ይስራዕ\" ኢሉ። ኣብዚ ዓመት ክልተ ግዜ ናብ ሆስፒታል ዝኣተወ እቲ ንጉስ፡ ኣብ ኣኼባታት ካቢነ ኣቦ መንበር ኮይኑ ክቕጽል እዩ። እቲ ኣዋጅ፡ ካልእ ወዲ እቲ ንጉስ ልኡል ካሊድ ቢን ሳልማን ሓድሽ ሚኒስተር ምክልኻል ኮይኑ ከምዝተሰይመ’ውን ይገልጽ። ሳልሳይ ወዱ ልኡል ዓብዱልዓዚዝ ቢን ሳልማን ድማ ኣብ ሚኒስተር ጸዓት እታ ሃገር ወሳኒ ተራ ሒዙ ክቕጽል’ዩ። ኣቡኡ ኣብ 2015 ቅድሚ ንጉስ ምዃኑ ካብ ስዑዲ ዓረብ ወጻኢ ብዛዕባ መሓመድ ቢን ሳልማን ዝሰምዑ ሰባት ውሑዳት እዮም ነይሮም። ኣብታ ዓቃባዊት ንግስነት ወሽመጥ ዓረብ ብዘመዝገቦ ገለ ማሕበራውን ቁጠባውን ጽገናታት ናእዳ ረኺቡ እዩ። እቲ ለውጥታት ንደቂ ኣንስትዮ መኪና ምዝዋር ዝምልከት እገዳ ምልዓልን ቁጠባ እታ ሃገር ኣብ ነዳዲ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝተመርኮሰ ክኸውን ዝገበሮ ጻዕሪን የጠቓልል። ኣብ የመን ሰብኣዊ ዕንወት ዘስዓበ ኲናት ብምክያዱን ንተቓውሞታት ብምጭፍላቑን ከምኡ’ውን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ነቐፌታዊ ጽሑፋት ንዘቕረቡ ከቢድ ማእሰርቲ ብምፍራዱ ግን ኣዝዩ ክንቀፍ ጸኒሑ’ዩ። ኣህጉራዊ ዝና እቲ ልኡል ርኡይ ዕንወት ዘጋጠሞ ግን፡ እቲ ፍሉጥ ነቓፊ ፖሊሲታቱ ዝነበረ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ኣብ 2018 ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዝርከብ ቆንስል ስዑዲ ዓረብ ምስተቐተለ እዩ። ትካላት ስለያ ኣሜሪካ፡ እቲ ልዑል፡ ንካሾጊ ንምሓዝ ወይ ንምቕታል ንዝተኻየደ ስርሒት ከምዘጽደቐ ደምዲሞም’ኳ እንተኾኑ ንሱ ግን ዝኾነ ኢድ ከምዘይብሉ ብምግላጽ ከምዝነጸጎ ይዝከር። ሩስያ ንዩክሬን ምውራራ ስዒቡ ዝተረኣየ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ፡ እቲ ልዑል ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ካብ መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ዳግማይ ተቐባልነት ክረክብ ገይሩ እዩ። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ንስዑዲ ዓረብ ብሰንኪ ቅትለት ካሾጊ \"ከምቲ ንሳቶም ዝገበርዎ ዝተነጸገት\" ክገብራ ቃል ኣትዩ’ኳ እንተነበረ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ግን ናብታ ሃገር ምብጻሕ ብምግባር ነቲ ልዑል ኣብ ጅዳ ከምዝረኸቦ ይፍለጥ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv21yd3llkxo"} {"headline":"ንእስላማዊ ጕጅለ ዳዕሽ ቪድዮ ፕሮፓጋንዳ ዝሰርሐ ካናዳዊ፡ ንሕልፈት ተፈሪዱ","content":"ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ፡ ንፕሮፓጋንዳ እስላማዊ ጕጅለ ዳዕሽ ዝኸውን ቪድዮታት ዘዳለወን ዘዘንተወን ካናዳዊ ዜጋ ንሕለፈት ክእሰር ወሲኑ። እዚ ኣብ ስዑድያ ዝተወልደ መሓመድ ኸሊፋ ዝበሃል ሰብ፡ ነቲ እስላማዊ ጕጅለ ደገፍ ንምሃብ ውዲት ብምእላሙ እዩ ገበነኛ ተባሂሉ ተፈሪዱ። እዚ ወዲ 39 ዓመት ዝዀነ ኸሊፋ፡ ኣብ ውሽጢ ዳዕሽ \"ሓያል ሰብ\" ከምዝነበረን ክልተ ምሩኻት ሶርያውያን ወተሃደራት ከምዝቐተለን ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ገሊጹ። እቲ ብ IS ዝፍለጥ እስላማዊ ጕጅለ ዳዕሽ፡ ኣብ 2017 ብሕቡራት ሓይልታት ዒራቕ፡ ሶርያን ኣሜሪካን ብሕሱም ከም ዝተወቕዐ ይፍለጥ። እንተዀነ ዳዕሽ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ዒራቕ፡ ሶርያ፡ ኣፍጋኒስታንን ከምኡ'ውን ኣብ ምብራቕን ምዕራብን ኣፍሪቃን ኣፍሪቃ ከም ዝንቀሳቐስ ይግለጽ። ኸሊፋ፡ መጥቃዕቲ ንምልዕዓልን ንኻልኦት ናብቲ ጕጅለ ንምእካብን ተባሂሎም ዝተዳለዉ ዘስካሕክሕ ቅትለት ዘኽብሩ 15 ቪድዮታት ፕሮፓጋንዳ፡ ብእንግሊዝኛ ከም ዘዘንተወ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣሜሪካ ሓቢሮም። ኣብ ቶሮንቶ ዝዓበየ ኸሊፋ፡ ኣብ ጽድያ 2013 ናብ ሶርያ ከይዱ ኣብ ሕዳር ከኣ ምስ እስላማዊ ጕጅለ IS ተጸንቢሩ። ክሳዕ መወዳእታ 2018 ድማ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ጕጅለ IS ሰሪሑ። ኣብ 2014 ጥራይ እቲ ኣሃዱ መራኸቢ ብዙሓን ጕጅለ ዳዕሽ፡ ጄምስ ፎሊን ስቲቨን ሶትሎፍ ከምኡ'ውን ብሪጣንያውያን ሰራሕተኛታት ረድኤት ዝዀኑ ኣለን ሄኒንግን ዴቪድ ሃይነስን ርእሶም ክስየፉ ዘርእዩ ቪድዮታት ዘርጊሑ እዩ። ኣብ ጥሪ 2019 ኸሊፋ፡ በቶም ብኣሜሪካ ዝድግፉ ኩርዳውያን ዝመርሕዎም ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ሶርያ ተታሒዙ። ሰለስተ ቦምባን ሓደ ክላሽንን ሒዙ ኣብ ኣቡ ባድራን ሶርያ ኣብ ዝርከብ ቦታ፡ ኣብ ልዕሊ ደሞክራስያዊ ሓይልታት ሶርያ ንበይኑ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ይገልጽ። ናብ ውሽጢ ኣትዩ ምስ ሓደ ወተሃደር ኣብ መደያይቦ ተዅሲ ቅድሚ ምግባሩ፡ ሓንቲ ቦምባ ኣብ ናሕሲ እቲ ህንጻ ደርብዩ። ኸሊፋ መብዛሕትኡ ጠያይቱ ክሳዕ ዝውድእ ተታዂሱ ኣብ መወዳእታ ኢዱ ሂቡ። ጸኒሑ ቤት ጽሕፈት ፌደራል ምርመራ ኣሜሪካ ከም ዝርከብዎ ተገይሩ። ኸሊፋ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ዝተኸሰሰሉ ክሲ ግብረ-ሽበራዊ ገበነኛ ምዃኑ ኣሚኑ እዩ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv29vnnlg97o"} {"headline":"ሞት ኣንጸላልዩዎ ዝነበረ ብዕድመ ዝነኣሰ ስዑዳዊ እሱር ድሕሪ 8 ዓመታት ተፈቲሑ","content":"ኣንጻር መንግስቲ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተሳቲፍካ ተባሂሉ ኣብ 13 ዓመቱ ዝተኣሰረ ስዑዳዊ ድሕሪ ናይ ዓመታት ማሕዩር ከምዝተፈተሐ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ገሊጾም፡፡ ሙርታጃ ቁረይሪስ፡ ዋላኳ ዳሓር ብማእሰርቲ ክቕጻዕ እንተተፈረዶ፡ መጀመርታ ግን መቕጻዕቲ ሞት ኣንጸላልይዎ ነይሩ፡፡ ኣብ 2014 ኣብ ቀይዲ እንትውዕል፡ ካብ ዝቐረቡሉ ክሲታት ሓደ፡ ኣብቲ ኣብ 2011 ዝተኻየደ ብጽድያ ዓረብ ዝፍለጥ ሰልፊ ተሳቲፍካ ዝብል ነይሩ፡፡ ቁረይሪስ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፊ ተሳቲፍካ ተባሂሉ ዝተኣሰረ ብዕድመ ዝነኣሰ ስዑዳዊ ከምዝኾነ ይእመን፡፡ መሰላቱ ዝኾኑ ብቑጽሪ ውሑዳት ተኸተልቲ እስልምና ሺዓ ኣብ ዝነብሩሉ ምብራቓዊ ግዝኣት ስዑዲ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ፡ እቲ ህጻን ምስ ካልኦት ቆልዑት ብሽክለታ እናዘወረ ኣብ ሓደ ቪድዮ ይረኣይ፡፡ ተኸተልቲ ሺዓ ስዑዳውያን፡ ኣብታ ሱኒ ዝበዝሑላ ሃገር፡ ኣድልዎ ከምዝፍጸሞምን ከም ካልኣይ ደረጃ ዜጋታት ከምዝቑጸሩን የማርሩ፡፡ በቲ ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝካየድ ዝነበረ ሰልፊታት ተለዓዒሎም ድማ ኣንጻር ሰብመዚ ስዑዲ ተቓውሞታት ኣስሚዖም ነይሮም፡፡ እቲ ተቓውሞ ብስጉምቲ ሓይልታት ጸጥታ ዝተዓፈነ ኮይኑ፡ ነዚ ስዒቡ ብዙሓት ተኣሲሮምን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ብሞት ተቐጺዖምን እዮም፡፡ ሙርታጃ ቁረይሪስ እውን ብዘይ ክሲ ንዓመታት ከምዝኣሰረ እዮም ተሓለቕቲ መሰላት ዝገልጹ፡፡ ቅድምን ድሕርን ምእሳሩ ዝተዘርገሐ ፎቶ፡ ዓርሱ ዝኸኣለ ታሪኽ ዝነግር እዩ፤ ህጻን ኮይኑ ኣትዩ ብጭሕሚ ዝማዕረገ መንእሰይ ኮይኑ ክወጽእ ይረኣይ፡፡ ኣብ መወዳእታ ናብ መጋባእያ ኣብ ዝቐረበሉ ኣባል ኣሸባሪ ጉጅለ ኢኻ ፤ ከምኡ እውን ናብ ፖሊስ ጣብያ ፈንጂ ደርብዩ ንዝተባህለ ዓብዪ ሓዉ ሓጊዝካዮን ዝብሉ ክሲታት ቀሪቦምሉ ነይሮም፡፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ብሞት ክቕጻዕ ዝሓተቱ ኮይኖም፡ ጎስጎስቲ ድማ ብስቅላት ክቕጻዕ ከምዝኽእል ኣጠንቆቖም ነይሮም፡፡ ቃል እምነት እቲ ተኸሳሲ ከም መረዳእታ ቀሪቡ ነይሩ፤ ኮይኑ ግን ብመግረፍትን ስቅያትን ክኣምን ከምዝተገበረ ንቤት ፍርዲ ተዛሪቡ፡፡ ጉዳይ እቲ ህጻን ብደረጃ ዓለም ኣዘራራቢ ዝነበረ ኮይኑ፡ ምናልባት ዝተውሃቦ ኣቓልቦ ካብ መቕጻዕቲ ሞት ተሪፉ ብእስራት ክቕጻዕ ሓጊዝዎ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት፡፡ ኣብ ፈለማ ን 12 ዓመት ዝተፈረዶ ኮይኑ ጸኒሑ ናብ 8 ዓመት ተቐኒሱሉ፡፡ በዚ መሰረት ግዘ ማእሰርቱ ወዲኡ ወጺኡ፡፡ ተሓለቕቲ መሰላት ምፍታሕ እቲ እሱር ዝነኣዱ ኮይኖም፡ ኣካላውን ስነ ልናውን ጉድኣት በጺሕዎ ክኸውን ከምዝኸእል ግን ይገልጹ፡፡ ስዑድ ዓረብ፡ ኣብ 2020 ተኸሰስቲ ትሕቲ ዕድመ ኮይኖም ንዝፈጸምዎም ገበናት ብሞት ከይቅጽዑ ዝእዝዝ ኣዋጅ ዘውጸአት ኮይና፡ ተሓለቕቲ መሰላት ግና ተፈጻምነቱ ከምዘጠራጥሮም ይዛረቡ፡፡","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4n2qzw0v3go"} {"headline":"መንግስትኹም ኣይቅበሎምን'የ ኢልኩም ተባሂልና' - ኢትዮጵያውን ኣብ ስዑድያ","content":"ኣብ ስዑድያ ብዝተፈላለዩ ገበናት ተፈሪዶም ግዜ ማእሰርቶም ዝወድኡ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብዘይምኽኣሎም ኣብ ከቢድ ጸገም ከምዝርከቡ ንቢቢሲ ሓቢሮም። እዞም ልዕሊ 750 ዝዀኑ ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓደ መዳጐኒ ከምዝርከቡን፡ ብምዝውዋር ሓሽሽን ካልኦት ገበናትን ክሳብ 15 ዓመት ተፈሪዶም ማእሰርቶም ከምዝወድኡ ይሕብሩ። ንጉስ [ንድሕነቱ ስሙ ዝዓቀበ] “ካብ 5 ክሳብ 15 ዓመት ተፈሪዱና ነቲ ዝተወሃበና ቕፅዓት ዝወዳእና ኢና። ናብ ዓድና ክንኸይድ ድማ ፈሪምና ኔርና። ዝምላእ ቅጥዕታት እውን መሊእና። ብድሕሪኡ ግን ውሰዱና እንተበልና ‘መንግስትኹም ኣብዩኩም’ ኢሎምና” ክብል ተዛሪቡ። ካልእ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ኢትዮጵያዊ ብወገኑ፡ “ግዜ ፍርድና ወዲእና ካብቲ ዝነበርናሉ ቤት ማእሰርቲ ኣውጺኦም ኣብ ካልእ ንበይንና ፈልዮምና ኣለዉ። ነጻ ስለዝዀንኩም ናብ ሃገርኩም ክትከዱ ኢኹም ኢሎም ፈልዮምና፣ ግን ድማ ዝበፅሐልና ኣይረኸብናን” ክብል መረረኡ ኣስሚዑ። ብዝፈጸምዎም ገበናት ተፈሪዶም ግዜ ማእሰርቶም ካብ ዘሕለፉሉ ቤት ማእሰርቲ ናብ ካልእ መጽንሒ ቦታ ወሲዶም ከምዘቐመጥዎም ዝሕብር ዮሃንስ [ሓቀኛ ስሙ ዝተቐየረ] ድማ “እቲ ቐንዲ ሓላፊ መጺኡ ኣዘራሪብናዮ ኣብዚ ቕነ ድሕሪ በዓል ክትኸዱ ኢኹም ምስ በለና ሕራይ ኢልናዮ። ድሕሪ በዓል ዒድ ተፀቢና ግን ዋላ ሓደ ነገር የለን” ክብል ነቲ ብወገን መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ዝተዋህቦም መልሲ ጠቒሱ። ኣስዒቡ፡ “ካብቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበርናሉ ቦታ ናብ ካልእ ማይ ዘይብሉን መኽዝን ኣፅዋር ዝነበረን ቦታ ኣምፂኦም ዳጒኖምና ኣለዉ። መብራህቲ’ውን የብሉን። ንምንታይ ኢልና እንተሓተትና ‘ናታትኩም ጉዳይ ነዓና ዝምልከት ኣይኰነን። ፍርድኹም ስለዝወዳእኹም መንግስቲ ሃገርኩም እዩ ዝምልከቶ’ ኢሎምና” ክብል ኣረዲኡ። ኣብ ቀረባ እዋናት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘይሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ስዑዲ ከርፋሕ ህይወት ክመርሑ ዝጸንሑ ዜጋታቱ ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ መስርሕ ከምዝጀመረን ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተመልሱን ይፍለጥ። ሰብመዚ ኢትዮጵያ ናብ ስዑዲ ዓረብ ብምኻድ ኣብ ጉዳይ ኣተሓሕዛ እሱራትን ናብ ሃገሮም ዝምለስሉ ኩነታትን ምስ ሰብ መዚ እታ ሃገር ከም ዝተዘራረቡ ይግለጽ። እቶም ኢትዮጵያውያን፡ ካብቲ እሱራት ኮይኖም ዝፀንሑሉ ቤት ማእሰርቲ ናብ ካልእ ኣብ ጂዛን ዝርከብን ኤዋ ዝበሃል ፍሉይ ቦታ ከምዝተወሰዱ እዮም ዝዛረቡ። መሰረታዊ ኣገልግሎታት ብእኹል ኣብ ዘይረኽቡሉ ሓደ ኣዳራሽ ልዕሊ 750 ሰባት ከምዝተዳጐኑ ብምሕባር፡ ብሰንኪ ዘለዉሉ ኵነታት ግዳይ ሕማምን ሞትን ይዀኑ ከምዘለዉ ገሊፆም። ዮሃንስ፡ “መዓልታዊ እዩ ሰብ ዝሞተና። ሎሚ ንጉሆ’ኳስ ክልተ ሞይቶምና ኣለዉ። ብቕድሚ ትማሊ ድማ ክልተ ሞይቶም። ነዚ ተቓዊሞም ድምፂ ዘስምዑ 17 ሰባት ናብ ደገ ኣውፂኦም ደርብዮምዎም ኣለዉ” ኢሉ። ነቶም 17 ሰባት፡ ‘ማዕፆ ኳሕኲሕኩም’ ብዝብል ከም ዝፍለዩ ተገይሩ፤ ንሳቶም ግን “እሞ ሰብ እናሞተና ደኣ እንታይ ክንገብር” ከምዝበልዎም፣ ሽዑ እቶም ዕጡቓት ሓለውቲ፡  “ማዕፆ ክትሰብሩ ኢኹም ሓሲብኩም” ኢሎም ንዓሰርተ ሸውዓተኦም ኣብ ደገ ኣሲሮምዎም ከምዘለዉ ኣረዲኡ። “ጥዕና ኣእምሮኦም ተዛቢዑ ጥራሕ ነብሶም ዝኸዱ ሰባት ኣለዉና። ቲቢን ሽኮርን ዝሓመሙ ሰባት'ውን ኣለዉ። ሕክምና የለን፤ ካልእ ሓገዝ እውን የለን። እንታይ ኢና ጌርና” ክብል ንጉስ ይገልጽ። እቲ ስሙ ክግለፅ ዘይደልይ ምስ በዓል ዮሃንስ ዝርከብ ኢትዮጵያዊ ከምዝብሎ፡ ኣብ ሞንጐኦም ነብሰ ቕትለት ዝፈጸሙ ሰባት ኣለዉ። “ንሕማም ተቓሊዕና ኢና ዘለና። ኣብ ሆስፒታል'ውን ዝዀነ ዝግበረልና ሓገዝ የለን። መንግስትኹም እምበር ንሕና ዝገብርናኩም የለን እዮም ዝብሉና” ክብል ወሲኹ ይገልፅ። እቲ ጠንቂ ስደት ኢትዮጵያውያን ኮይኑ ዝግለጽ ቁጠባዊ ጸገማት፤ ደርቅን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ንቀይሕ ባሕሪ ተሳጊሮም ብየመን ናብ ስዑድያ ከምዝኣተዉ ይግለጽ። ኣይኦኤም ኣብ 2019 ጥራይ ኣስታት 140,000 ስደተኛታት ናብ የመን ከምዝኣተዉ ይሕብር። ሁይማን ራይትስ ዎች፡ ኣብዚ መስመር ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርትን ሰባት ዝጨውዩ ሰብ መዚ የመንን ነዞም ስደተኛታት ጅሆ ብምሓዝ ስድራ እዞም ስደተኛታት ገንዘብ ንክኸፍሉ ከምዘገድድዎም ሰነዳት ከምዘለዎ ይሕብር። ቢቢሲ ዘዘራረቦ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሓደ ሰራሕተኛ ቤት ጽሕፈት ቈንስል ኢትዮጵያ ኣብ ስዑድያ ነበር፡ ጉዳይ እቶም እሱራት ከምዝፍለጥን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ናይ ጕዕዞ ሰነድ ንምድላው ይስራሕ ከምዝነበረን ሓቢሩ። እቶም እሱራት ብወገኖም ግዜ ማእሰርቶም ካብ ዝውድኡ ሓደ ዓመት'ኳ እንተሓለፎም ዝግደሰሎም ከምዘይረኸቡ እዮም ዝዛረቡ። “እቲ ኣምባሳደር ስልኪ እንተደወልናሉ ኣየልዕሎን። ወከልቱ’ውን ናብዚ መጺኦም ምስረኣዩና ‘ከምዚ ክንገብር ኢና’ ኢሎም ቃል ይኣትዉ። እቲ ፀገም ‘ናይ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ እዩ’ እዮም ዝብሉና። መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ድማ እቲ ጸገም ኣብ መንግስትኹም እዩ’ ዝብል። ኣብ መንጐ ንሕና ተጐዲእና” ይብል እቲ ስሙ ክግለፅ ዘይደለየ ኢትዮጵያዊ። ዝምልከቶም ኣባላት ቤት ጽሕፈት ቈንስል፡ ንዅነታቶም ከምዝፈልጥዎ ዝሕብር ንጉስ ድማ፡ ናብቶም ኣባላት ቈንስል ብተደጋጋሚ ስልኪ እንተደወልሉ ግን ምላሽ ዝህቦም ከምዘይረኸቡ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። “ዝተወሰነ እዋን መፂኦም ሪኦምና ነይሮም። ግን ድማ ‘ሎሚ መጻና፤ ጽባሕባ’ ክብሉና ድሕሪ ምፅናሕ ኣብዚ እዋን ፈጺሞም ስልኪ ኣየልዕሉናን ዘለዉ” ክብል ወሲኹ ገሊጹ። ናብ ኤምባሲን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ኢትዮጵያን እንተደወሉ’ውን ንሕቶኦም ምላሽ ዝህብ ከምዝሰኣኑ ዝገልጽ ዮሃንስ ብወገኑ፡ “ንሰበስልጣን ስዑዲ ‘እንታይ ደኣ ክንገብር’ ምስ በልናዮም፤ ‘ዓሪፍኩም ኮፍ በሉ መንግስትኹም እንተደልዩ መፂኡ ክወስደኩም እዩ። እንተዘይኰይኑ ቀይሕ መስቀል ክመጽእ እዩ’ ይብሉና” ኢሉ። “ኣብዚ ቦታ ኴንና ተቓውሞና ክንገልጽ ንኽእለላ መገዲ፡ ኣድማ ምሕሳም ምግቢ ምክያድ ጥራሕ እያ። ካብኣ ንላዕሊ ክንገብራ ንኽእል ነገር የብልናን” ዝብሉ እቶም እዋን ፍርዶም ከምዝወድኡ ዝዛረቡ ኢትዮጵያውያን፡ ሲቪላውን ወተሃደራውን ሰብመዚ ስዑዲ ዓረብ እናተመላለሱ ከምዝቈጻጸርዎም ሓቢሮም። “መቈጻጸሪ ካሜራ ኣለዎም። መግቢ ክንሕሰም ከለና መጺኦም ‘ክትፍትሑ ኢኹም’ ይብሉና። ኣብ መንደቕ ዝተሰቐለት ስልኪ ስለዘላትና ኢና ናባኹም ደዊልና። መጻኢና ግን እንድዒ. . .”  ኢሉ ዮሃንስ። ንጉዳይ እቶም ኣብ ሕማቕ ኵነታት ኣለና ዝብሉ ኢትዮጵያውያን ብዝምልከት ሓበሬታ ንምርካብ ናብቲ ኣብ ጂዳ ዝርከብ ቈንስል ኢትዮጵያ ደዊልና ክሰምረልና ኣይከኣለን። ናብ ወሃቢ ቓል ሚኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝደወልናሉ እዋን ድማ፡ ኢመይል ክንልእኽ ተሓቲትና ከምቲ ዝተባህለና’ውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ልኢኽና። ይኸን’ምበር ዛጊት ዝተወሃበና መልሲ ወይ መብርሂ የለን። [ምስ በጽሐና ከምእነቕርቦ ክነዘኻኽረኩም ንፈቱ።]","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c2l5vpezl5jo"} {"headline":"ኲናት ዩክሬን፡ ንሩስያውያን ሰብሃብቲ፡ ገነት ዝዀነቶም ዱባይ","content":"ዱባይ፡ ብሰንኪ ኲናት ዩክሬን ካብ ዝስዓቡ እገዳታት ሃገራት ምዕራብ ንዝሃድሙ ዘለው ሩስያውያን ሰብ ሃብቲ ገነት ኮይናትሎም ትርከብ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብርክት ዝበሉ ቢሊየነራትን ወነንቲ ንግዳዊ ትካላትን ሩስያውያን ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ይኣትው ከም ዘለው መራሕቲ ንቢቢሲ ገሊጾም። ሩስያውያን ዝዕድግዎ ዘለው ንብረት ድማ፡ ኣብ መጀመርታ ሰለስተ ኣዋርሕ 2022 ጥራይ ብ67 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ። ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝዀነ ዓይነት እገዳ ኣይገበረትን፤ ወይ'ውን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ንዝተፈጸመ ወራር ሩስያ ኣይኮነነትን። ብተወሳኺ፡ ነቶም ዝዀነ ዓይነት እገዳ ዘይተገብረሎም ግን ከኣ ሃገራት ምዕራብ ኣይንቕበልን ንዝበልኦም ሩስያውያን ቪዛ ትህቦም ኣላ። ዋላ'ውን እቲ ቝጽሪ ብግልጺ እንተዘይተፈልጠ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ካብ ሩስያ ከም ዝወጽኡ ይግለጽ። ሓደ ሩስያዊ በዓል ሞያ ቝጠባ፡ እቲ ኲናት ኣብ ዝተጀመረሉ መጀመርታ ዓሰርተ መዓልታት፡ ኣስታት 200 ሽሕ ሩስያውያን ካብታ ሃገር ወጺኦም'ዮም ኢሉ። ኩባንያታት ኣብ ዱባይ ስርሖም ንምጅማር ዕድላት ዘመቻችእ ቨርቱዞን ዝተባህለ ትካል፡ ብዙሓት ሩስያውያን ዓማዊል ተቐቢሉ ኣሎ። \"እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ካብ ሩስያውያን ሓሙሽተ ዕጽፊ ጠለባት ተቐቢልና ኣለና። በቲ ዝመጽእ ዘሎ ቍጠባዊ ሽግራት ኣዝዮም ተሻቒሎም ኣለው። ስለዝዀነ'ዮም ሃብቶም ንምድሓን ናብዚ ዝመጽኡ ዘለው፡\" ክብል ዋና ፈጻሚ ስራሕ ቨርቱዞን ጆርጅ ሆጄጊ ተዛሪቡ። ምምጻእ ሩስያውያን ሃብታማት፡ ጠለብ ዘመናውያን ቪላታትን መንበሪ ኣባይትን ኣብ ዱባይ ክውስኽ ገይሩ ኣሎ። ኤጀንሲታት ሪል ስተይት ድማ ኣብ ዋጋታት ወሰኽ ገይሮም። ኣብ ዱባይ ዝማእከሉ ኤጀንሲ 'ቤተርሆምስ'፡ ኣብ መጀመርታ ሰለስተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት፡ ጠለብ ንብረት ሩስያውያን ኣብ ዱባይ ብኽልተ ሲሶ ከም ዝወሰኸ ይገልጽ። ካልእ 'ሞደር ሊቪንግ' ዝተባህለ ኤጀንሲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ጠለብ ይውስኽ ብምህላዩ ተዛረብቲ ቋንቋ ሩስያ ዝዀኑ ደላሎ ቘጺሩ ምህላው ሓቢሩ። ዋና ፈጻሚ ስራሕ ቲያጎ ካልዳስ፡ ብቐጥታ ናብ ዱባይ ክመጽኡ ካብ ዝደልዩ ብርክት ዝበሉ ሩስያውያን ቴሌፎን ይድወሎ ነይሩ። \"ናብዚ መጺኦም ገዛ ዝዕድጉ ዘለው ሩስያውያን፡ ብዓይኒ ኢንቨስትመንት ጥራይ ዘይኮነ ዱባይ ከም ካልአይቲ ገዛኦም ብምርኣይ'ዩ፡\" ኢሉ። ብዙሓት ኩባንያታትን ሩስያን ሓደስቲ ዝጅምራ ዝተፈላለያ ትካላትን ሰራሕተኛታተን ናብ ኢማራት ዓረብ የግዕዛ ኣለዋ። ፉኣድ ፋቱሌቭ ሓደ ካብ መስረትቲ 'WeWay' ዝተባህለ ኣብ ሩስያን ዩክረይንን ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ኩባንያ ቴክኖሎጂ እዩ። ድሕሪ ምጅማር እቲ ኲናት፡ ኣማኢት ሰራሕተኛታቱ ሒዙ ናብ ዱባይ መጺኡ። \"እቲ ኲናት ኣብ ስራሕና ዓቢይ ሃሰያ'ዩ ኣውሪዱ። ኣማኢት ዩክሬናውያንን ሩስያውያንን ከነውጽኦም ስለ ዝነበረና ኣብኡ ክንቅጽል ኣይከኣልናን፡\" ኢሉ። ፉኣድ፡ ዜግነቱ ሩስያዊ እዩ። ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝመረጽሉ ምኽንያት ከብርህ እንከሎ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ንንግዳዊ ትካላት ዝኸውን ውሑስ ቁጠባወን ፖለቲካውን ባይታ ምህላው እዩ ክብል ይጠቅስ። ብዙሓት ኩባንያታት ሩስያ፡ ብሰንኪ እቶም ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተነብሩ እገዳታት፡ እቲ ኵነታት ኣጸጋሚ ስለ ዝዀኖም ካብታ ሃገር ይወጽኡ ምህላዎም ገሊጹ። መብዛሕትኦም ትካላት ሃገራት ምዕራብ፡ ምስቶም ኣብ ሩስያ ዝነበሩ ትካላት ዝጸንሖም ርክባት ብምሕርፋፉ፡ ብፍላይ ምስ ዓለምለኻዊ ዓማዊልን ትካላት ኣብ ምስራሕ ከም ዘጸገመሎም ተዛሪቡ። ከም ጐልድማን ሳችስ፡ ጄይፒ ሞርጋንን ጎግልን ዝኣመሰሉ ትካላት፡ ኣብ ሩስያ ዝነበሮም ኣብያተ ጽሕፈት ዓጽዮም ንገሊኦም ሰራሕተኛታቶም ናብ ዱባይ የግዕዝዎም ኣለው። \"ብግልጺ ፍልሰት ምሁራን እዩ ዘጋጥም ዘሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዙሕ እገዳታት ንግዲ ስለ ዘሎ፡ ብዙሓት ሰባት'ዮም ዝወጽኡ ዘለው፡\" ይብል ፋቱሌይ። ማእከላይ ባንክ ሩስያ፡ ኣብ ባንክታት ወጻኢ ዘለዎ ቢልዮናት ባጤራ ወጻኢ ከይጥቀመሉ ተኣጊዱ'ዩ። ገለ ባንክታት ሩስያ'ውን ካብቲ ዓለምለኻዊ ስርዓት ምዝውዋር ገንዘብ 'ስዊፍት' ተኣልዮም'ዮም። መንግስቲ ሩስያ፡ ነቲ ዘለዎ ገንዘብ ንምዕቃብ መጠን ካብ ባንክ ዝወጽእ ገንዘብ ገደብ ክገብረሉ እንከሎ፡ ካብታ ሃገር ዝወጽኡ ዜጋታት ድማ ልዕሊ 10 ሽሕ ዶላር ሒዞም ክወጽኡ ከም ዘየፍቅደሎም ገሊጹ። ጥረ ገንዘብ ምትሕልላፍ ኣጸጋሚ ስለ ዝዀነ ድማ፡ ብዙሓት ሩስያውያን ዓደግቲ፡ ክፍሊቶም ብክሪፕቶካረንሲ ይፍጽሙ ኣለው። ከም ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑድያን ዝበላ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ እገዳታት ክገብራ ብምዕራባውያን ንዝቐረበለን ጻውዒት ነጺገናኦ'የን። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወራር ሩስያ ብምኹናን ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ኢማራት ከም ቻይናን ህንድን ድምጻ ዝዓቀበት እንኮ ዓረባዊት ሃገር እያ። ብ7 ሚያዝያ፡ ሩስያ ካብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ንምእጋድ ኣብ ዝተዋህበ ድምጺ'ውን ኣየድመጸትን።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61330894"} {"headline":"ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ የመን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ኮኒኑ","content":"ኣብ ሰሜን ምዕራብ የመን ማእኸል መዋፈሪ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ዝኾነት ሰኣዳ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ሓደ ቤት ማሰእርቲ ብዝተፈጸመ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ልዕሊ 70 ሰባት ዝተቐተሉ ኮይኖም ሕቡራት ሃገራት ኮኒንዎ። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “እቲ እናተጋደደ ዝቕጽል ዘሎ ኵናት ደው ክብል ኣለዎ” ኢሉ። እቲ ኣንጻር ዕጥቛት ሑቲ ዝቃለስ ዘሎ ብስዑድ ዓረብ ዝምራሕ ናይ ሓባር ሰራዊት ሎሚ ቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ነቲ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ‘ኣይፈጸምኩዎን’ ኢሉ። እቲ ናይ ሓባር ሰራዊት ኣብ መግለጺኡ እቲ መጥቃዕቲ ኣየር ዝተፈጸመሉ ቦታ ካብ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ናጻ ክኾኑ ኣለዎም ተባሂሉ ምስ ሕቡራት ሃገራት ስምምዕ ካብ ዝተብጽሓሎም ከባቢታት ሓደ ከምዘይኮነ ብምጥቃስ ብቀይሕ መስቀል ሪፖርት ከምዘይተገበረሉ ኣፍሊጡ። ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት ንዝሓለፉ 7 ዓመታት ክዋግኡ ጸኒሖም ኣለዉ። ከም ሳዔቤኑ ከኣ ኣስታት 10 ሽሕ ህጻናት ሓዊሱ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰለማውያን ሰባት ተቐቲሎምን ጉድኣት ኣካል ኮይኖምን እዮም። እቲ ኵናት ብሚልዮናት ንዝቑጸሩ ሰባት ካብ መረበቶም ዘመዛበሎም ኮይኑ ኣብዝሓ ህዝቢ የመን ኣብ ድርኩኺት ጥምየት ይርከብ። ድሕሪ እቲ ትማሊ ዓርቢ ዝተፈጸመ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ሰራሕተኛታት መድሕን ህይወት ኣስከሬን ሰባት ካብ ፍርስራስ ህንጻታት የውጽኡ ከምዘለዉ ዝተገለጸ ኮይኑ ዘይሞቱ ሰባት ናይ ምርካብ ዕድላት ግን ተስፋ ዘቑርጽ ከምዝኾነ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ማእኸላይ ምብራቕ ኣና ፎስተር ገሊጻ። ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ብልክዕ ዝተፈልጠ ነገር የለን። ዶብ ኣልቦ ሓካይም ብውሕዱ 70 ሰባት ከምዝሞቱ ዝሓበረ ኮይኑ ቁጽሪ መወትቲ ክዛይድ ከምዝኽእል ግን ኣፍሊጡ። ብዕጡቓት ሑቲ ዝምእዘን መደበር ቴሌቭዥን፡ ሰባት ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ፍርስራሳት ብኣእዳዎም እናጽረዩን ዝቖሰሉ ሰባት እናልዓሉን ዘርኢ ስእልታት ኣቃሊሑ። ዶብ ኣልቦ ሓካይም ሓደ ሆስፒታል ልዕሊ 200 ጉዱኣት ከምዝተቐበለ ሓቢሩ። “ኣብቲ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ሕጂ’ውን እንተኾነ ብዙሕ ኣስከሬናት ኣለዉ፤ ብዙሓት ሃለዋቶም ዘይተረኸቡ ሰባት ኣለዉ። ብንጹር ክንደይ ሰባት ከምዝሞቱ ዝፍለጥ ነገር የለን። እዚ መስካኽሒ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ይመስል” ክብል ሓላፊ ዶብ ኣልቦ ሓካይም የመን ኣሕመድ ማሐት ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ገሊጹ። ሚኒሰተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን እቲ ጎንጺ ተጋዲዱ ምቕጻሉ ከምዘሻቐሊ ኣፍሊጡ። ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዕጥቛት ሑቲ ኣብ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ሁደይዳ ኣብ ናይ ቴለተኮሙኒኬሽን መሰረት ልምዓት ብዝተፈጸመ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ምኽንያት ሰለስተ ኩዕሶ እግሪ ዝጻወቱ ዝነበሩ ቆልዑት ከምዝሞቱ ‘ሴቭ ዘ ችልድረን’ ኣፍሊጡ። ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ዳርጋ ኣብ ምሉእ ሃገር ናይ ኢንተርኔት ኣገልግሎት ተቛሪጹ። መራኸቢ ሓፋሽ ሑቲ: እቲ ምቁራጽብሰንኪ እቲ ኣብ ቴሌኮሙኒኬሽን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝሰዓበ ከምዝኾነ ጠቒሱ ነቲ ናይ ሓባር ሰራዊት ተሓታቲ ገይርዎ። መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ከምዝበሎ እቲ ናይ ሓባር ሰራዊት ኣብ ሁደይዳ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ፈጺሙ’ዩ። ዕጥቛት ሑቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ልዕሊ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናይ ድሮናትን ሚሳኤልን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም እቲ ናይ ሓባር ሰራዊት መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣጽዒቑ ይርከብ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢማሬት ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለ ከምዝኾነ ዝተዘርበሉ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉ ይዝከር።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60096634"} {"headline":"ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዘካየድዎ መጥቃዕትን እቲ ዞባ ተሸሚምዎ ዝርከብ ወጥርን","content":"ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኲናት የመን ዘተርኣየ ምንህሃር እቲ ኲናት ናበይ ገጹ ከምዘምርሕን ነቲ ዞባ ብሓፈሻ እንታይ ትርጉም ኣለዎ ዝብሉን ሕቶታት ክለዓሉ ገይሩ ኣሎ። ስዑዲ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ሑቲ የመን ከቢድ መጥቃዕቲ ኣየር ክተካይድ እንከላ፤ በቲ ኣብ ልዕሊ ዋና ዕርዲ ኣብ ዝኾነት ከተማ ሳዓዳ ኣብ ዝርከብ መዳጎኒ ማዕከል ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉ ትካላት ረድኤት ገሊጾም። ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣባል እቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ኣንጻር ሑቲ ዝዋጋእ ዘሎ ልፍንቲ ብምዃና፡ እቲ መጥቃዕትታት ከም ግብረመልሲ ናይቲ ሑቲ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝፈጸሞ ናይ ሚሳይልን ድሮንን መጥቃዕትታት ከም ዝኾነ እዩ ዝግለጽ። እቲ መጥቃዕቲ ቀጥታዊ ግብረመልሲ ከለዓዕል ምዃኑ ጥርጣረታት እንተኔሩ፡ እቲ ናይ ስዑዲ መጥቃዕቲ ኣየር እንታይ ከምዝስዕብ መርኣያ ኮይኑ ኣሎ። ቅድሚ እቲ ናይ ስዑዲ መጥቃዕቲ ኣየር'ውን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተፈጸመ ናይ ነዊሕ ርሕቐት መጥቃዕቲ፡ እቲ ኩነታታ ኣብቲ ዞባ ፈጢርዎ ንዘሎ ሓድሽ ምዕባለታትን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንኢራን'ውን ዝሓወሰ ሓድሽ ዲፕሎማስያዊ መገዲ ንምሓዝ ትገብሮ ዘላ ጻዕርን ዘአንፍት እዩ ነይሩ። እቲ ብስዑዲ ዝተወስደ ግብረመልሲ ናይቲ መጥቃዕትታት ከኣ ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥን እስራኤልን ዘሎ ዝምድና ይሕይል ምህላው ዘንጸባርቕ እዩ። እቲ ብ 17 ጥሪ ዝተኻየደ መጥቃዕትታት ኣብ ከባቢ ኣቡዳቢ ንዝርከብ ኢንዱስትርያዊ ስፍራ እዩ ሃሪሙ፤ ነዳዲ ዝጸዓና መካይን ክቃጸላ እንከለዋ፡ ሰለስተ ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ተቐቲሎም። ብዘይካ'ዚ ኣብ ከባቢ ዓለምለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ'ውን ሃሪሞም እዮም። ዕጡቓት ሑቲ ቅድሚ ሕጂ'ውን ኣብ ልዕሊ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ዝገልጹ እኳ እንተኾኑ፡ ሰበስልጣን ኢማራት ዓረብ ንፈለማ እዋን እዮም ከምዚ ዝዓይነቱ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞም ዝእመኑ ዘለው። ሰባት ክቕተሉ'ውን ንፈለዋ እዋን እዩ። ሑቲ፡ ኢማራት ዓረብ ነቶም ብሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ንዘለዎ መንግስቲ የመን ዝሕግዙ ምልሻታት ካብ ምድጋፍ ክትቑጠብ ይደሊ። እቶም ብ'ኣማሌቃ ብርጌድን' ዝፍለጡ ሚሊሻ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ የመን ኣብ ግንባራት ዓወታት የመዝግቡ ኣለው። ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ንዕጡቓት ሑቲ ካብ ቀንዲ ከባቢታት ክደፍእዎም እንከለው፡ ኣብቲ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነ ከባቢታት ማሪብ (ሰሜናዊ የመን) መጥቃዕትታቶም የሐይሉ ኣለው። ኣብዚ ግብረ መልሲ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ወሳኒ እዩ። ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ቀንዲ ደጋፊት መንግስተ የመን ኮይና እያ ጸኒሓ። ኣብ ጎድኒ ሓይልታት ስዑዲ ብምዃን ሰራዊታ ናብታ ሃገር ልኢኻ። ስዑዲ ኣብ 2015 ናይ ኣዕራብ ሃገራት ልፍንቲ ፈጢራ ነቲ ብዕጡቓት ሑቲ ካብ ስልጣን ዝተኣለየ መንግስቲ ንምምላስ ወፍሪ ጀሚራ። ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ 2019 ሰራዊታ እኳ እነተሰሓበት፡ ነቶም ኣንጻል ሑቲ ዝዓጠቑ ሚሊሻታት ክተሰልጥንን ክተዕጥቕም እያ ጀሚራ። እዚ ኲናት ንየመን ንምቁጽጻር ዝግበር ቃልሲ ጥራይ ዘይኮነ ብሓፈሻ ኣብቲ ዞባ ኣብ መንጎ ስዑድን መሻርኽታን በቲ ሓደ ኢራንን ካልኦት ቴህራን እትሕግዞም ጉጅለታትን በቲ ካልእ ዝግበር ናይ ውክልና ኲናት ተጌሩ እዩ ዝውሰድ። የመን ሓንቲ ዓውደ ኲናት እያ። ኣብ ነሓሰ 2020 ኣብ መንጎ ኢማራት ዓረብን እስራኤልን ስምምዕ ኣብርሃም ምስ ተኸተመ (ድሒረን ባህሬን፡ ሞሮኮን ስዑድን ተጸንቢረንኦ እየን)፡ እስራኤል ፍልጥቲ ኣካል እቲ ኣንጻር ኢራን ዝቖመ ልፍንቲ ኮነት። እዚ ነቲ ብድሕሪ መጋረጃ ንዓመታት ዝጸንሐ ኩነታት ዝነበረ ዘረጋግጽ ነበረ። መዋጥር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ እምበር ኢማራት ዓረብ ነቲ ጉዳይ ብኸመይ ክትሕዞ የድልያ? ርግኣት ንሓንቲ ሃገር ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር እዩ። ወላ ሳሕቲ'ውን እንተኾነ መጥቃዕትታት ዝፍጸመላ ሃገር ኮይና ክትጥቀስ ኣይትደልን'ያ። ወላ'ኳ ሰራዊታ እንተሰሓበት ኣብ ኲናት የመን እጃማ ተበርክት ኣላ። ሓደ ክትገብሮ እትኽእል ነገር፡ ነቶም ምልሻታት እትገብሮ ሓገዝ ምሕያል እዩ። እንተኾነ ግና ካብዚ ብዘይሓምቕ መገዲ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ ናይ ወጻኢ ፖሊሲኣ ዝተሓላለኸ ምቅይያራት ጌራ እያ። ምስ እስራኤል ወግዓዊ ዝምድና፡ ምስ ቀጠር ሓርፊፉ ዝጸንሐ ዝምድና ንምምሕያሽ ጻዕርታት ተኻዪዱ፡ ምስ ቱርኪ ዝምድናኣ ምድልዳል፡ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ምስ ቴህራን ዝሓሸ ዝምድና ንምፍጣር ፈቲና እያ። እሞ ምምሕያሽ ዝምድናታት ኢማራት ዓረብን ኢራንን ግዳይ መጥቃዕቲ ሑቲ ክኸውን ዶ ይኽእል? ኢራን ዋና ደጋፊት ዕጡቓት ሑቲ ብምዃና (ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተፈጸመ መጥቃዕትታት'ውን ካብ ኢራን ብዝተረኽበ መሳርሒ እዩ ክኸውን ዝኽእል) እቲ ዝምድና ዝተሓላለኸ ክኸውን ከምዝኽእል ርዱእ እዩ። ሑቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ስትራተጂካዊ ውሳነታት እዮም ዝውስኑ፤ ኢራን ነዞም መጥቃዕትታት ክሳዕ ክንደይ ብእወታ ከም እትርእዮ ንጹር ኣይኮነን። እቲ መጥቃዕትታት ንመሻርኽቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ'ውን መዋጥርን ዕድልን ፈጢሩ ኣሎ። ምምሕዳር ባይደን በቲ ኢማራት ዓረብን ስዑድን ኣብ የመን ዝገብርኦ ዘለዋ ሕጉስ እኳ እንተዘይኮነ፡ ኣሜሪካ ንጸጥታ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ \"ዘይልወጥ\" ድጋፋ ኣስሚራትሉ ኣላ። ኢማራት ናይ ኣሜሪካ ጸረ ሚሳይል የድልያ ዶ ይኸውን? ምምሕዳር ባይደን ከ እንታይ ምላሽ ይህበሉ ይኸውን? ሻቕሎት እስራኤል ዝያዳ ግብራዊ ናይ ዝኾነ ደገፍ ምንጪ ክትኸውን እትኽእል እስራኤል እያ። ኣብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ ናብ ኣቡዳቢ ምብጻሕ ዘካየደ ቀዳማይ ሚኒስተር ናፍታሊ ባነት እስራኤል ጸጥታውን ናይ ስለያውን ሓገዛት ንምግባር ድልውቲ ምህላዋ ንወራሲ ዓራት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ሓቢርዎ ኣሎ። ኢማራት ዓረብ ኣብ ናይ እስራኤል ስርዓተ ምክልኻል ጸረ ሚሳይል (ከም ኣይረን ዶም ዝኣመሰሉ) ተገዳስነት ኣርእያ ከምዘላ ጸብጻባት ይሕብሩ። እስራኤል ግና ኣብዚ እዋን ነቲ ተኣፋፊ ቴክኖሎጂ ንምሻጥ ድልውቲ እንተላ ዝፍለጥ የሎን። እስራኤል'ውን ከም ኢማራት ዓረብ ብዛዕባ እቲ ናይ ነዊሕ ርሕቐት ናይ ምጥቃዕ ኣቕምታት ሑቲ ዝያዳ ንምፍላጥ ድልየት ኣለዋ። ብዘይካ'ዚ ኣሜሪካ ካብ ቻይና ክመጻ ንዝኽእል ስግኣት ንምብዳህ ወተሃደራዊ ጻዕርታታ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣተኩሮኣ ክተሕይል ምዃና ከይተጠቕሰ ዝሕለፍ ኣይኮነን።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60138906"} {"headline":"ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝተባረሩ ኣሸሓት ተጋሩ ኣብ ኢትዮጵያ 'ይእሰሩን ይጋፍዑን' - ሂዩማን ራይትስ ዎች","content":"ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝተባረሩ ስደተኛታት ተጋሩ ካብ ሕጊ ወጻኢ ኣሲሮም የሳቕዩዎም ከምዘለዉ ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ሓቢሩ። ብረቡዕ 5 ጥሪ 2022 ዝወጽአ ጸብጻብ ዓለምለኻዊ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዘይሕጋዊ ተባሂሎም ተኣሲሮም ክሳቐዩ ዝጸሑን ዝተጠረዙን ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ኣተዉ ካብ ካልኦት ተፈልዮም ብጃምላ ከምዝእሰሩን ዝኸፍአ ኩነታት ከምዝተጸበዮምን ኣመልኪቱ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ትግራይ ኲናት ምስ ተወለዐ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባብታት ኢትዮጵያን ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ብመንነቶም ብሓይልታት ጸጥታ ክእሰሩን ክንገላትዑን ከምዝጸንሑ ቢቢሲ ንግዳያት ኣዛሪቡ ምጽብጻቡ ይዝከር። እቶም ካብ ስዑዲ ዓረብ ብሓይሊ ዝተጠረዙ ተወለድቲ ትግራይ ተኣሲሮም፣ ተንገላቲዖምን ተወሰዊሮምን ምህላዎም ብምዝኽኻር፡ ኣባላት ስድርኦም ኣበይ ከምዝኣተዉ ከምዘይፈልጡ ሓቢሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን እቲ ጸብጻብ፡ \"ስተሰንዐ\" ክብል ነጺግዎ ኣሎ። ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዲና ሙፍቲ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ \"ሁዩማን ራይትስ ዎች ብዛዕባ ኢትዮጵያ ሓያሎ ልቢወለዳት'ዩ ዘለዎ\" ክብል ነቒፉ። መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ እቲ ሕሱም ኣተሓሕዛ ስደተኛታትን ናብ ኢትዮጵያ ምስጓግን ጠጠው ከብል እቲ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሓቲቱ። መንግስቲ፡ ነቶም ኣብ ዝፈላለየ እዋናት ተገዲዶም ናብ ኢትዮጵያ ዝባረሩ ተወለድቲ ትግራይ፡ ተቐቢሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ መጽንሒ ከምዘእትዎምን ገሊኦም ድማ ካብ ሕጊ ወጻኢ ኣብኡ ተታሒዞም ከጸንሑ ከምዝግበር እቲ ጸብጻብ የመልክት። ወሲኹ ድማ፡ ካብ መንጎ እቶም ተመለስቲ ናብ ዓዶም ከይጓዓዙ ከምዝኽልከሉን ናብ ትግራይ ንምኻድ ኣብ መገዲ እንከለው፡ ኣብ ክልል ዓፋር ተታሒዞም ኣብኡ ወይ'ውን ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከቡ መጽንሒ ቦታታት ብምውሳድ ኣሲሮም ይገርፍዎምን ናይ ጉልበት ስራሕ የስርሕዎምን ከምዘለዉ ገሊጹ። ኣብ ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ተመራማሪት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ናዲያ ሐርድማን፡ \"ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ካብ ስዑዲ ዓረብ ተጠሪዞም ንዝመጽኡ ተወለድቲ ትግራይ፡ ብዘይሕጊ ብምሓዝን ብምስዋርን ይቐጽዕዎም ኣለዉ\" ኢላ፡ \"ነቶም ኣብ ዓቢ ሓደጋ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ስዑዲ ዓረብ ክትከላኸለሎም ዘለዋ እንትኸውን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያም ካብ ሕጊ ወጻኢ ኣብ ቤት ማእሰረቲ ዝዳጎኖም ክፈትሕ ኣለዎ\" ክትብል ወሲኻ። ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኣዝዩ መጻብብን ማእሰርትን ዝነበሩ ልዕሊ 40 ሽሕ ንዝኾኑ ኢትዮጵያውያን፡ መንግስቲ ናብ ሃገሮም ክመልስ ምጅማሩ ይዝከር። እቲ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝብሎ፡ ካብ ሕዳር 2020 ክሳብ ሰነ 2021 [ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ] ካብቶም 40 ሽሕ ካብ ስደት ዝተመልሱ ኢትዮጵያውያን እቶም 40 ሚኢታዊ ተጋሩ እዮም። ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ብሰንኪ ድኽነትን ስራሕ ምስኣንን ግህሰት ሰብኣዊ መሰትን፡ ብኣማኢቲ ኣሸሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ሓደገኛ ዝኾነ መገዲ ባሕርን በረኻን ተጠቒሞም ብየመን ኣቢሎም ናብ ስዑዲ ዓረብ ክሰግሩ ጸኒሖም እዮም። ብዙሓት ድማ፡ በቲ ሓደገኛ መገዲ እንትጓዓዙ ህይወቶም ከምዝስእኑ ጸብጻባት ይሕብሩ። ሂዩማን ራይትስ ዎች ካብ መንጎ ተመለስቲ ስዑዲ ዓረብ ዝኾኑን ግፍዒ ዝበጽሖምን ተወለድቲ ትግራይ ነቶም 23 ዘዘራረበ ኾይኑ፡ ንኣዋርሕ ኣብ ኣዲስ አባበ፣ ኣብ ክልል ዓፋር፣ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ: ሾኔ፤ ኣብ ክልል ኦሮምያ: ጂማ ኣብ ዝርከቡ መጽንሒ ማእከላት ዳጒንዎም ከምዝርከብ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ። እቶም ተዳጒኖም ዝርከቡ መግረፍትን ስቅያትን ከምዝበጽሖም ካብቶም እቲ ትካል ዘዘራረቦም ገሊጾም። ሂዩማን ራይተስ ዎች፡ ነቲ ዛዕባ ኣመልኪቱ ንኮሚሽን ስራሕቲ ሓደጋ፣ ንፖሊስ ፌዴራል ከምኡ'ውን ኣብ ዋሺንግነትን ንዝርከብ ኢምባሲ ስዑዲ ዓረብ ዝሓተተ እንተኾነ'ኳ፡ ምላሽ ከምዘይረኸበ ኣብ ሪፖርቱ ኣካቲቱ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝውጽኦ ጸብጻብ እቶም ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተሓፊሶም ዝተኣስሩ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ተወለድቲ ትግራይ፡ ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ኩነታት ከምዝርከቡን ሰብኣዊ መሰለቶም ከምዝተግሃሰን ሓቢሮም ነይሮም። ኣብ መወዳእታ 2021 ኣመሪካን ካልኦት መሓዙት ሃገራትን ኣብ ዘውጽእዎ ሓበራዊ መግለጺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ሕዳር ዝተኣወጀ ህጹጽ እዋን ከም ሽፋን ተጠቒሙ፡ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ መንነቶም መሰረት ዝገበረ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ጠጠው ከብል ሓቲቶም ነይሮም።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59864764"} {"headline":"ኣብ ልዕሊ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ዝበጽሕ ዓመጽ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ","content":"ኣብ ልዕሊ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ይፍጸም ኣሎ ንዝበልዎ ግፍዒ ዝቃወሙ ሰልፈኛታት ኣብ ፊት ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድምጾም ኣስሚዖም። እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ዝበጽሕ ማእሰርቲ፣ ግፍዕን መከራን መንግስቲ ስዑዲ ደው ከብሎ ከም ዝሓተቱ መራኸቢ ብዙሓን ውሽጢ ሃገር ጸብጺበን። ኣብታ ብሃብቲ ነዳዲ ዝበልጸገት ስዑዲ ዓረብ ዝነብሩ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ክህልው እንከለው፤ መብዛሕትኦም ሕጋዊ ናይ ስራሕ ፍቓድ ዘይብሎም እዮም ብዝብል ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ንምንክልባትን ማእሰርትን ከም ዝተቓልዑ ይግለጽ። ሓደ ሓደ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝነብሩ ኢትዮጵያን እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጥሞም ዘሎ ምንክልባት ዝተፈለየ ከም ዝኾነን ናይ መንበርን ስራሕን ወረቓቕቲ ንዘለዎም'ውን ከም ዘጠቓልል ይዛረቡ። ኣብቲ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ ሰልፈኛታት መንግስቲ ስዑዲ ኣብ ልዕሊ ኣብ ግዝኣቱ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ዝፍጽሞ ዘሎ \"ማእሰርትን ምስቓይን ዝርከብዎ ካልእ ናይ ጭካነ ተግባራት\" ደው ከብሎ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከብ ኤምባሲ እታ ሃገር ጻውዒት ኣቕሪቦም። \"ኣነውን ንወገነይ ድምጺ እየ\" ብዝብል ጭርሖ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ዝተረኽቡ ሰባት፡ ኣብ ስዑዲ ኣብ ማእሰርቲ ኣብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ደቂኣንስትዮ፣ ህጻናትን መንእሰያትን ይፍጸም ኣሎ ዝበልዎ ተግባር ደው ክብል ሓቲቶም። ሓይልታት ጸጥታ ስዑዲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ሕጋውያን ኣይኮኑን ኣብ ዝብልዎም ስደተኛታት ብዘካይድዎ ግፋ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲ ከም ዝርከቡ ይግለጽ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጸገም ዝርከቡ ዜጋታቱ ካብ ስዑዲ ዓረብ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ይጽዕር ምህላውን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብዙሓት ስደተኛታት ከምለሱ ከም ዝገበረን ይፍለጥ። ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዝሓሸ ናብራ ንምንባር ብዝብል ብጁቡትን ሶማልን ገይሮም ብዘይሕጋዊ መገዲ ስዑዲ ንምእታው ኣብ ዝፍትኑሉ ኣብ ባሕሪ ህይወቶም ከም ዝጠፍአ ብተደጋጋሚ ይግለጽ። እቶም ሰሊጥዎም ናብ የመን ዝኣተው ናብ ስዑዲ ንምስጋር ንዕጡቓትን ንዘይሕጋውያን ኣሰጋገርትን ብዙሕ ገንዘብ ድሕሪ ምኽፋል ከቢድ ጸገማት ከም ዝገጥሞም ይዛረቡ። ቢቢሲ ከምኡ'ውን ዝተፈላለዩ ዓለምለኻውያን ማዕከናት ዜናን ትካላት ተሓለቐቲ ሰብኣዊ መሰላትን ቅድም ኢሎም ዘውጽእዎም ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ከባቢ ዶባትን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ስዑድን ኣብ ኣሰቃቒ ኩነታት ተታሒዞም ኣለው።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58308680"} {"headline":"ንምንታይ እዩ ብኢትዮጵያ ንዝቐርብ ቡን ስታርባክስ ዘስተማቕሮ?","content":"እዚ ሕቶ ነዊሕ እዋን ዘቑጸረ ሕቶ እዩ። ብርግጽ ቡን ኢትዮጵያ ልክዕ ከምቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝዝረበሉ ድዩ? እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈርይ ‘ኮፊ-ኣረቢካ’ ኣብ ዓለም ዘለዎ ደረጃ ብትኽክል ኣብ ምንታይ እዩ? ምስ ቡን ኢትዮጵያ ብዝተሓሓዝ ዝለዓሉ ብዙሓት ሕቶታት ኣለዉ። ኣብዞም ሕቶታት እኹል መብርሂ ክህቡና ንሙሁር ስነቑጣባን ‘ፌርፋክስ ኣፍሪቃ ግሎባል’ ናይ ዝተበሃለ ትካል ኣቦመንበርን ኣይተ ዘመዴነህ ንጋቱ ኣዘራሪብናዮም። ምኽንያቱ ንሶም ብምኽንያት ስራሕ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ገይሾም፣ ምስ መራሕቲ ዓበይቲ ኩባንያታት ተራኺቦም፤ ብፊርማታቶም ብዙሓት ውዕሊታት ኣፈጺሞም። ካብ ብራዚል ክሳብ ኣሜሪካ፤ ካብ ኣርጀንቲና ክሳብ ስዑዲ ተቐሚጦም’ዮም። “ቡን ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ዝስርዓሉ ደረጃ ኣበይ እዩ? ከምቲ ዝበሃልከ ውሩይ ቡን ድዩ?” ዝብል ሕቶ ኣቕሪብናሎም። ነዚ ሕቶ መልሲ ዝሃቡና ኣይተ ዘመዴነህ ብሓሳብ ናብ ፓሪስ፣ ለንደንን ዋሺንግተንን ወሲዶምና። ዋሺንግተን “ቅድሚ ኣዋርሕ ክልተ ጸዓዱ መናእሰይ ሓድሽ እንዳቡን ከፊተን ስለዝዓደማኒ ከይደ” ይብሉ ኣይተ ዘመዴነህ። ናብ ኢትዮጵያ በጺሔን ምስተመለሳ እየን ነቲ መሸጢ ቡን ከፊተንኦ። እቲ ዝኸፈትኦ እንዳቡን ኣብ ኣሜሪካ ጥቓ ህንጻ ካፒቶል [ኣባላት ኮንግረስ ዝእከቡሉ ኣዳራሽ] ይርከብ። ካብቲ ኣዳራሽ ዝወጽኡ 435 ኣባላት ቤት ምኽሪ ከምኡ’ውን 100 ኣባላት ሰኔት መሕለፊኦም በቲ እንዳቡን’ዩ። እቶም ተወከልቲ ህዝቢ ናብታ እንዳቡና ዝመላለሱሉ ምኽንያት ነቲ ናይ ኢትዮጵያ ቡን ንምስትምቓር እዩ። ምኽንያቱ ከኣ ኣይተ ዘመዴነህ ከምዝብልዎ በዓል ዝና ቡን ስለዝኾነ እዩ። ለንደን ኣብ ለንደን እቲ ኣዝዩ ክባር ዝበሃል መኪና ‘ሮልስ ሮይስ’ ከምዝኾነ ይዝረብ። ብውሑድ 300 ሽሕ ዶላር መበገሲ ዋግኡ እዩ። ልዕሊ 10 ሚልዮን ዶላር ዘውጽኡ ብትእዛዝ ጥራሕ ዝፈርዩ ኣውቶሞቢል-መካይን እውን ኣለውዎ። ኩባንያ ሮልስ ሮይስ ንሃብታማት ሞዴል መካይን ክሸጠሎም ከሎ ሓደ ክቡር ህያብ የቕርበሎም’ዩ። እቲ ህያብ ኣብ ውሽጢ ጁባ እተን መኻይን ኣቐሚጡ እዩ ዝህቦም። ዝተዓሸገ ናይ ኢትዮጵያ ቡን’ዩ ዘቕርበሎም። እዚ ኩነታት ከኣ ንደረጃ ቡን ኢትዮጵያ ዝገልጽ ይኸውን። ፓሪስ ኣይተ ዘመዴነህ ሕዚ’ውን ተሞክሮኦም የካፍሉና ኣለዉ። ሕምብርቲ ፓሪስ ኣበይ እዩ እንተይልና እቲ መልሲ ኣደባባይ ‘ሾንዞሊዜ’ [‘Champs-Élysées‘] ዝብል ኮይኑ ንረኽቦ። ኣብቲ ቦታ ናይ ኔስሌ ቡን ዋና መደብር ይርከብ። ናብ ውሽጢ ክትኣትው ከለኻ እቲ ፍሉጥ ተዋሳኣይ ፊልሚታት ሆሊውድ ጆርጅ ክሉኒ ናይ ቡን ማሽን እናላለየ ይረኣይ። ክሉኒ ኣብ ስክሪን ብዝመሓላለፍ መወዓውዒ\/መላለዪ እዩ ዝረኣይ። ኣብ ጎኒ ጆርጅ ክሉኒ ድማ ሓደ ክቡር ዝኾነ ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ ቡን ኢትዮጵያ’ዩ። “ሕስብ ኣብሎ! እዚ ኣብ ፓሪስ ፍሉጥ ናይ ኔስሌ ቡን መሸጢ እዩ። እሞ ደኣ እዚ እንታይ እዩ ዝነግረካ?” ይብሉ ኣይተ ዘመዴነህ። “ብሕሳር ዋጋ ዓዲጎም፤ ንሳቶም ግን ይደምቁሉ” ኣብ ዝርዝር ብደረጃ ዓለም ዝፍለጣ ቡን ዘፍርያን ንናይ ደገ ዕዳጋ ዘቕርባን ሃገራት ብራዚል ብቐዳምነት ትስራዕ። ቬትናምን ኮሎምቢያን ድማ ይስዕብኣ። ኢንዶነዢያን ኢትዮጵያን ከኣ ብራብዓይን ሓምሻይን ደረጃ ይሕዛ። በቲ ተፈታዊ ዝኾነ ‘ኮፊ-ኣረቢካ’ ግን ካብ ብራዚል ቀጺለን ኮሎምቢያን ኢትዮጵያን ይርከባ። ኣብ ዓለም ዝህሉ ዋጋ ቡን በቶም ዘፍርይዎ ሓረስቶት ዘይኮነስ በቶም ዓበይቲ ኩባንያታት’ዩ ዝውሰን። እተን ኣፍረይቲ ሃገራት ብፍላይ ብራዚል ንዓለም እተቕርቦ ጥረ ቡን ክንክይ ከሎ ጠለብን ቀረብን ቡን ዓለም’ዩ ዝናጋዕ። ሽዑ ኣብተን ቀንዲ ተጠቀምቲ ቡን ዝኾና ሃገራት ዝርከቡ ማለት ከም ጀርመናውያን፣ ሆላንዳውያን፣ ጃፓናውያንን ዜጋታት ስዑዲ ዓረብን ገጾም ናብ ኢትዮጵያ ይመልሱ። እዚ ዕድል ነቶም ቡን ዘፍርዩ ሓረስቶት ኢትዮጵያን ቬትናምን ጽቡቕ ኣጋጣሚ’ዩ። ዋጋ ቡን በቶም ዝዕድግዎ ዓበይቲ ኩባንያታት ዝውሰን ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ፡ ኢትዮጵያ ዝኾነ ክብሪ (‘ቫልዩ’) ከይወሰኸት ብጥሪኡ ናብ ዕዳጋ ተቕርቦ ብምዃና ብዙሕ ኣታዊ ንኸይርከብ ምኽንያት ከምዝኾነ ኣይተ ዘመዴነህ ይዛረቡ። ዓንዲ ቁጠባ ኢትዮጵያ! ቡን ኣብ ቁጠባ ኢትዮጵያ ዓብዪ ቦታ ዝሕዝ ብምዃኑ ዕዳጋ ወይ ፍርያት ክዘሓሓል ከሎ መጠን ሸርፊ ወጻኢ እታ ሃገር እውን የንቆልቁል። ሃብቲ ወርቂ’ውን እንተኾነ ንኢትዮጵያ ክንድቲ ካብ ቡን ዝርከብ ኣታዊ ክተእትው ኣየኽእላን። በቢዓመቱ ልዕሊ 200 ሽሕ ቶን ቡን ናብ ወጻኢ ሰደድ ትገብር። እንተኾነ እቶም ቡን ዘፍርዩ ሓረስቶት ኢትዮጵያ መነባብሮኦም ዝደኸመ ኮይኑ ኢና ንረኽቦ። ንምንታይ እንተተባሂሉ እቶም ቡን ዘፍርዩ ሓረስቶት ካብ ሓፈሻዊ ብጽሒቱ ነቲ 10 ሚኢታዊት’ኳ ክረኽቡ ኣይተዓደሉን። “ኣብ ዓለም ካብ ነዳዲ ቀጺሉ ብስፍሓት ዝሽየጥ ነገር እንተሃለወ ክንዲ ቡን ዝመጽእ ሸቐጥ ግን የለን” ይብሉ ኣይተ ዘመዴነህ። ግን ከኣ ክንድቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ኢትዮጵያውያን ሓረስቶታትን ካብ ቡን ይርብሑ የለዉን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ደገ ሰደድ ካብ ዝገበረቶ ቡን ዝረኸበቶ ኣታዊ 1 ቢልዮን ዶላር ክበጽሕ ቁሩብ ኣማኢት ኣሽሓት’ዩ ጉዲልዎ። ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ሰደድ ዝተገበረ ቡን እንተደሚርናዮ ድማ 100 ሽሕ ቶን ሓሊፉ’ሎ። ካብዚ ከኣ ዝሓሸ ሸርፊ ወጻኢ ክርከብ ትጽቢት ይግበር። ጀርመንን ስዑዲ ዓረብን ንፍርያት ቡን ኢትዮጵያ ብብዝሒ ይወስዳ ዘለዋ ኮይነን ቻይናውያን እውን ቡን ምስታይ የብዝሑ ምህላዎም ዕድል ሒዙ ምምጽኡ ኣይተርፍን። እቲ ካልእ ዓብዪ ዕድል ከኣ ዋጋ ቡን-ኣረቢካ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ወሰኽ ከርእይ ምኽኣሉ እዩ። ብኸመይ ነቲ ዕዳጋ ምቁጽጻርን ተጠቃሚ ምዃንን ይከኣል? ኣይተ ዘመዴነህ “ንኣብነት ምስ ኔስሌ ተሻሪኽና ቡን ዝሽየጠሎም መደበራት ዘይንኸፍት? ካብ ንኢሽተይ ክንብገስ ንኽእል ኢና። ብጽሒት ምዕዳግ ይከኣል እዩ” ይብሉ። ኢትዮጵያ ብሓንሳብ ልክዕ ከም ስታር ባክስ 33 ሽሕ እንዳቡን ኣብ መላእ ዓለም ክትኸፍት ከምዘይከኣላ ዝኣምኑ እቶም ሙሁር ቁጠባ “ግን ከኣ ወሰንቲ ኣብ ዝባሃሉ ቦታታት ቡን ሃገርና ዝሽየጡሎም ድኳናት ምኽፋት ይከኣል’ዩ” ክብሉ የረድኡ። ኣብ ከም ኣሜሪካን ፈረንሳን ዝበላ ሃገራት ኣብ ዓበይቲ ጎደናታተን ቡን ዝሽየጠሎም መደብራት ምኽፋት ከምዝከኣል ድማ ብኣብነት ይገልጹ። ቡን ኢትዮጵያ “ሓምለዋይ\/ቆጽለዋይ ኣምባሳደር” ብዝብል ዝጽዋዕ ኮይኑ ክንድኡ ንኢትዮጵያ ዘላለየ ከምዘየለ ይግለጽ። ኣረቢካ ብኣውርኡ ናይ ኢትዮጵያ ቡን’ዩ። ሰተይቲ ቡን ነቲ ብኢትዮጵያ ዝትመን ዋጋ ንምኽፋል ድልዋት እንተኾኑ’ውን ኣብ ሞንጎ ግን ዓበይቲ ኩባንያታት ተቐርቂሮም ኣለዉ። “ሓደ ቡን ዝሰቲ ሰብ ንሓንቲ ፍንጃል 5 ዶላር ዝኸፍል ዘሎኮ ንናትና ቡን እዩ። ስለዚ ንምንታይ ኢና ነቲ ገንዘብ ካልኦት ክወስድዎ ስቕ ኢልና ንርእይ?” ዝብል ሕቶ የልዕሉ ኣይተ ዘመዴነህ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60035239"} {"headline":"ኣብ ስዑዲ ዓረብ 30 መራሕቲ ባቡር ንምቁጻር ንዝወጸ መጸዋዕታ 28,000 ደቂ ኣንስትዮ ኣመልኪተን","content":"ኣብ ስዑዲ ዓረብ 30 ደቂ ኣንስትዮ መራሕቲ ባቡር ክቖጽር ዝመሚ ዘሎ ኩባኒያ ባቡር ክሳብ ሕጂ 28 ሽሕ ኣመልከትቲ ከም ዝተቐበለ ኣፍሊጡ። እተን ዕውታት፡ ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት ስልጠና ካብን ናብን ቅዱሳት ከተማታት መካን መዲናን ኣዝየን ልዑል ፍጥነት ንዘለወን ባቡራት ክዝውራ ከም ዝኾና ተገሊጹ። ስዑዲ ዓረብ ንዓሰርታት ዓመታት ዝተሓተ ተሳትፎ ስራሕ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዋ ሃገር'ያ ኮይና ጸኒሓ። ኣብ ቀረባ ዓመታት ግን መንግስቲ ቑጽሪ ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ንምዕባይ ጻዕርታት ክገብር ዝጸንሐ ኮይኑ፡ እዚ ሓደ ካብ መደባት ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ምዃኑ ይንገር። ብተወሳኺ፡ ደቂ ኣንስተዮ መኪና ክዝውራ የብለንን ዝብል እገዳ ብምልዓልን ደቂ ኣንስትዮ ብዘይሓለዋ ወዲ ተባዕታይ ብናጽነት ክጉዓዛ ብምፍቃድን ለውጢ ክመጽእ ገይሩ'ዩ። ነዞም ለውጢታት ስዒቡ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስራሕ ብዕጽፊ ወሲኹ ናብ 33 ሚኢታዊት ዓብዩ'ዩ። ኣብ መፋርቕ እቲ ዝሓለፈ ዓመት'ውን ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ስራሕ ዓለም ተጸንቢረን። ይኹን'ምበር ሕጂ'ውን እቲ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ብቐንዱ ድማ እቲ ዓውዲ ህዝባዊ ኣገልግሎት ደቂ ተባዕትዮ ከም ዝበዝሑዎ ኣብ ኣመሪካ ዝማእከሉ ኢንስቲትዩት ብሩኪንግስ ዘካየዶ መጽናዕቲ የመልክት። እቲ ሕጂ ስፔናዊ ኩባኒያ ባቡር ዝጀመሮ መመያ ደቂ ኣንስትዮ መራሕቲ ባቡር ድማ ኣብቲ ዓብዪ ክፍተት ዘለዎ ዓውዲ ህዝባዊ ኣገልግሎት ቁሩብ ለውጢ ከምጽእ ትጽቢት ይግበረሉ። ኣብታ ሃገር ዋላ'ውን ማሕበራዊ ዕረያ ይግበር እንተሃለወ፡ ሕጂ'ውን ግን ደቂ ኣንስትዮ ብዘይ ናይ ወዲ ተባዕታይ ፍቓድ ክምርዓዋ፣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወጽኣ ወይ'ውን ናብ ሕክምና ክኸዳ ኣይኽእላን። ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ምስ ሓዳር፣ ስድራቤት፣ ፍትሕን ምስ ቖልዑ ዝተሓሓዙ ውሳነታታ ኣብ ምሃብን ሕጂ'ውን ጸገማት ይበጽሐን ከም ዘሎ ይገልጹ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60385201"} {"headline":"ወራስ ዓራት ልኡል ስዑድ ዓረብ፡ ንንጉስ ዓዱላህ ንምቕታል ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ ተባሂሉ","content":"ወራስ ዓራት ልኡል ስዑድ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ንንጉስ ዓብደላ ብ ''ሰማሚ ቀለበት' ንምቕታል ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ ክብል ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ድሕነት ስዑድ ዓረብ ነበር ተዛሪቡ፡፡ እቲ ሰዓድ ኣል ጃብሪ ዝተባህለ ውልቀ ሰብ ንሲቢኤስ ከምዝገለጾ፡ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ኣቡኡ ምእንቲ ክነግስ ነቲ ተግባር ክፍጽም ከምዝደሊ ንወዲ ሓው ኣቡኡ ኣብ 2014 ነጊርዎ እዩ፡፡ ኣብቲ እዋን ነቲ ንጉስ መን ይተክኣዮ ኣብ ዝብል፡ ኣብ መንጎ እቶም ንጉሳውያን ቤተሰብ ከቢድ ምስሕሓብ ተፈጢሩ ነይሩ፡፡ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ግና ንምስክርነት እቲ ነበር ሓላፊ ድሕነት ብምንጻግ፡ እቲ ውልቀ ሰብ ነዊሕ ናይ ምሕሳው ታሪኽ ዘለዎ እዩ ኢሉ፡፡ ኣል ጃብሪ ኣብ ቃለ መሕተቱ፡ እቲ ንስዑድ ዓረብ ዘመሓድር ዘሎ ወዲ ንጉስ ሰልማን ዝኾነ ወራስ ዓራት ልኡል መሓመድ ''ጽሉል፣ ቀታልን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንህዝቡ፣ ንኣሜሪካውያንን ንዓለምን ስግኣት ዝኾኑ ብዙሓት ምንጭታት ዘለዎን'' እዩ ክብል ኣጠንቂቑ፡፡ ንሱ ኣብ 2014 መሓመድ ቢን ሳልማን ነቲ ወራስ ዓራት ልኡልን ሚኒስተር ውሽጢ ዓድን ዝነበረ ወዲ ሓው ኣቡኡ መሓመድ ቢን ናይፍ፡ ነቲ ንጉስ ንምቕታል ከመቻቹ ከምዝኽእል ነጊርዎ ነይሩ ይብል፡፡ ''ንንጉስ ዓደላ ክቐትሎ ይደሊ እየ፡፡ ዝስምም ቀለበት ካብ ሩስያ ክረክብ እየ፤ ንዕኡ ንምቕታል ብኢደይ ሰላም ምባል እኹል እዩ፡ ኢልዎ'' ክብል ተዛሪቡ፡፡ ብተወሳኺ እቲ ቆይቂ ኣብ ንጉሳዊ ቤት ፍርዲ ከምዝተፈተሐን እቲ መጋባእያ ብምስጢር ከምዝቐድሕዎን ዝተዛረበ ኣል ጃባሪ፡ ክልተ ቅዳሓት እቲ ቪድዮ ኣበይ ከምዝተቐመጡ ከምዝፈልጥ እውን ተዛሪቡ፡፡ ንጉስ ዓብዱላህ ኣብ 90 ዓመቱ ኣብ 2015 ምስ ሞተ፡ ብሓደ ወገን ሓዉ ዝኾነ ኣቡኡ ንመሓመድ ቢን ሰልማን፡ ንጉስ ሰልማን ተተኪኡ፡፡ ንጉስ ሰልማን ንመሓመድ ቢን ናይፍ ወራስ ዓራት ልኡል ገይሩ መሪጽዎ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ 2017 ግና ብወዱ መሓመድ ቢን ሳልማን ተኪእዎ፡፡ መሓመድ ቢን ናይፍ ካብ ሓላፍነት ውሽጢ ዓዲ ተኣልዩ ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዘይተፈለጠ ክሲ ተኣሲሩ እዩ፡፡ ናይፍ ካብ ስልጣን ምስወረደ ናብ ካናዳ ዝሃደመ ኣል ጃብሪ፡ ኣብ 2018 ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ኣብ ቱርኪ ምስተቐተለ ድሕሪ መዓልቲታት ንዕኡ ዝቐትል ጉጅለ ናብ ካናዳ ከምዝተልኣኸ ዝገልጽ መጠንቀቕታ ካብ ሰለልቲ ማእከላይ ምብራቕ ከምዝበጸሖ ሓቢሩ፡፡ ኣብቲ እዋን ሽዱሽተ ሰባት ዝሓዘ ጉጅለ ናብ ካናዳ ኣትዩ ከምዝነበረን፡ ዝጥርጠሩ መሳርሒታት ሒዞም ብምምጸኦም ብሰብ መዚ ከምዝተባረሩን እውን እቲ በዓል ስልጣን ነበር ገሊጹ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣል ጃብሪ ነቲ ልኡል ብፈተነ ቕትለት ኣብ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ዝኸሰሶ ኮይኑ፤ እቲ ልኡል ግና ንቕትለት ካሾጊ ሓዊሱ ነቶም ክስታት ነጺግዎም፡፡ ኤጀንሲታት ስለላ ኣመሪካ ግና እቲ ልኡል ንውጥን ቅትለት ካሾጊ ፈሪሙ ከምዘጽደቖ እየን ዝገልጻ፡፡ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ፡ እቲ በዓል ነበር ስልጣን ዘቕረቦ ክሲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ እቲ ውልቀ ሰብ ነዊሕ ናይ ምሕሳው ታሪኽ ከምዘለዎን ነቲ ብቢልዮን ዶላራት ዝቑጸር ገንዘብ ብምስራቕ ዝፈጸሞ ገበን ንምሽፋን ዝተዛረቦ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡ ኣል ጃብሪ ብብዙሓት ትካላት ስዑድ ዓረብ ክሲ ብልሽውና ዝቐርበሉ ኮይኑ፡ ቤት ፍርዲ ካናዳ ድማ ሃብቱ ኣደስኪሉዎ እዩ፡፡ ንሱ ግና እቲ ሃብቲ ቆጸርቱ ዝነበሩ ሰባት ዝሸለምዎ እምበር ዝሰረቖ ገንዘብ መንግስቲ ከምዘይኮነ ይሙግት፡፡","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59044229"} {"headline":"ስዑድ ዓረብ ኣብ ሓደ መዓልቲ 81 ሰባት ብሞት ቀፂዓ","content":"ስዑድ ዓረብ ትማሊ ቀዳም 81 ደቂ ተባዕትዮ ብሞት ከምዝቀፅዐት ኣፍሊጣ። እቲ ኣሃዝ እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ሙሉእ ዓመት ብሞት ካብ ዝቐፀዐቶም ዝዛየደ እዩ። መራኸቢ ሓፋሽ እታ ሃገር ኤስፒኤ፡ ካብቶም ብሞት ዝተቐፅዑ ደቂተባዕትዮ፡ \"ብዙሕ ባርባራዊ ገበናትን ግብረ ራዕድን ዝፈፀሙ\" ሸውዓተ የመናውያንን ሓደ ሶርያውን ከምዝርከብዎም ፀብፂቡ። ገሊኦም ምስ ኣባላት ጉጅለ እስላማዊ ግዝኣት (ኣይኤስ)፣ ኣልሸባብ ወይ ኣብ የመን ምስ ዝርከቡ ዓመፅቲ ሑቲ ርክብ ዝነበሮም እዮም። ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል፡ ኣብ ስዑድ ዓረብ ብዙሓት ፍትሓዊ ዳይነት ከምዘይረኽቡ ገሊፆም። መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ግና ነዚ ክሲ ነፂግዎ። እቶም 81 ሰባት ብ 13 ዳያኑ ከምዝተረኣዩን ጉዳዮም ሰለስተ ብርክታት ብዘለዎ ከይዲ ፍርዲ ከምዝሓለፈን፡ ኤስፒኤ ፀብፂቡ። እዞም ሰባት፡ ንቁጠባ ስዑድ ዓረብ ኣብ ዝሃስዩ መጥቃዕቲ ንምብፃሕ ሚስጥራዊ ውጥን ብምውዳድ፣ ኣባላት ኣካላት ፀጥታ ንምቕታል ወይ ጨውዮም ንምውሳድ ብምድላው፣ ብምስቓይ ምዕማፅን፡ ከምኡ'ውን ናብታ ሃገር ዘይሕጋዊ መሳርሒ ኵናት ብምእታው ብዝብሉ ገበናት እዮም ተኸሲሶም። ስዑድ ዓረብ ልዑል መቕፃዕቲ ሞት ብምፍፃም ኣብ ዓለም ኣብ ቅድሚት ካብ ሞንጎ ዝስርዓ ሃገራት እያ።ከም ፀብፃብ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ካብ ቻይና፣ ኢራን፣ ግብፅን ዒራቕን ቀፂሉ፡ ልዑል መቕፃዕቲ ሞት እትፍፅም ሃገር ብምዃን ስዑድ ዓረብ ኣብ ሓምሻይ ደረጃ ትስራዕ። ስዑድ ዓረብ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ 69 ሰባት ብሞት ቀፂዓ እያ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60725949"} {"headline":"ሕፅይቲ መዋቲ ጀማል ካሾጊ፡ ጀስቲን ቢበር ናይ ስዑዲ ዓረብ ምርኢቱ ክስርዝ ፀዊዓ","content":"ሕፅይቲ እቲ ኣብ ቱርኪ ኢስታንቡል ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ ዝተቐተለ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ስሙይ ድምፃዊ ጀስቲን ቢበር ኣብ ዝመፅእ ዘሎ ወርሒ ኣብ ጅዳ ዝህልዎ ምድላው ክስርዝ ተማሕፂና። ስሙይ ካናዳዊ ድምፃዊ ጀስቲን ቢበር ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ኣብ ጅዳ ኣብ ዝካየድ 'ፎርሙላ ዋን ውድድር መካይን' ስራሕቱ ንምቕራብ ኣብ ዝሸባሸበሉ ዘሎ እዋን እዩ፡ ሕፅይቲ እቲ መዋቲ ሃቲች ቼንጊዝ፡ ናብ ጀስቲን ቢበር ወግዓዊ ደብዳበ ብምፅሓፍ ነዚ ፃውዒት ኣቕሪባ። እቲ ደብዳበ፡ ጀስቲን ቢበር ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ኣብ ስዑድ ዓረብ ዘቕርቦ ምርኢት ሙዚቃ ክስርዝ ዝምሕፀን እዩ። ጋዜጠኛ ጀማል ኻሾግጂ ኣብ 2018 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ኣብ ኢስታንቡል ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ ጉዳይ ከፈፅም ኣብ ዝኸደሉ እዋን እዩ ብዘስካሕክሕ መገዲ ተቐቲሉ። ቱርካዊት ሕፅይቲ እቲ ጋዜጠኛ ሃቲች ቼንጊዝ፡ ኣብቲ ዝፀሓፈቶ ወግዓዊ ደብዳበ፡ “ነቲ ምድላው ብምስራዝ ነቲ ቀታሊ ነብሲ መንግስቲ እታ ሃገር ግልፂ መልእኽቲ ክተሕልፍ እደሊ እየ” ብምባል ተማሕፂና። እቲ ኣብ ስደት ዝነብርን ንልኡል ሙሓመድ ቢን ሳልማን ዝነቅፍ ዝነበረን ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ቅድሚ ምቕታሉ ንጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ዝፅሕፍ ዝነበረ እዩ። ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ኣል-ወጠን ዝነበረን፡ ንዓመታት ምስ'ቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ጥቡቕ ዝምድና ዝነበሮን ካሾጊ፡ ንገለ ሰብመዚ ስዑዲ ዓረብ ከም ኣማኻሪ ኮይኑ ሰሪሑ እዩ። ፀኒሑ ግና፡ ብዙሓት ኣዕሩኽቱ ምስ ተኣስሩን፣ ኣብ ጋዜጣ ኣል-ሓያት ዘቕርቦ ዝነበረ ዓምዲ ምስ ተሰረዘን ኣብ ትዊተር ከይፅሕፍ መጠንቀቕታ ምስተዋህቦን፡ ሃገሩ ገዲፉ ናብ ኣሜሪካ ክስደድ ተገዲዱ። ጀማል ናይ መርዓ ሰነድ ንምሕዳስ ኣብ ቱርኪ ኢስታንቡል ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ስዑድ ዓረብ ምስ ከደ፡ ብዘስካሕክሕ መገዲ ተቐቲሉ ኣሰሩ ክጠፍእ እዩ ተገይሩ። እዚ ኣብ ዝኾነሉ ሕፅይቱ ሃቲች ቼንጊዝ፡ ኣብ በሪ እቲ ኤምባሲ ኮይና ትፅበዮ ኔራ። ሃቲች ቼንጊዝ ኣብቲ ንጀስቲን ቢበር ዝፀሓፈቶ ደብዳበ፡ “ንጨካንን ቀታልን መንግስቲ ኬድካ እንተዘይትደርፍ ደስ ይብለኒ” ኢላ። ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ብወገኑ፡ እቲ ምድላው ነቲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝፍፀም ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ትኹረት ንምቕያር ዝዓለመ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፡ ጀስቲን ቢበርን ካልኦት ምርኢት ኣቕረብትን ካብቲ ምድላው ንርእሶም ከግልሉ ፀዊዑ። ቤት-ፅሕፈት ስለያ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየዶ ምርመራ፡ ዘስካሕክሕ ቅትለት ጋዜጠኛ ጀማል ኻጆግጂ ንክፍፀም፡ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ከም ዝኣዘዘ ኣረጋጊፆም እዮም። እንተኾነ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ፡ ኣብዚ ቅትለት ከም ዘይተሳተፈ እዩ ብተደጋጋሚ ዝገልፅ። ኣብ 2019 ኣቆፃፅራ አውሮጳውያን’ውን ድምፃዊት ኒኪ ሚናዥ፡ ንመሰላት ደቂኣንስትዮን ሕደ-ፆታውያንን ብምድጋፍ፡ ኣብ ጅዳ ክተካይድ ወጢናቶ ዝነበረት ምርኢት ምስራዛ ይዝከር።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59373234"} {"headline":"ኣብ የመን ዶናልድ ትራምፕን ልኡል ስዑዲ መሓመድ ቢን ሳልማንን ኣብ ዘይተረኽቡሉ ንሞት ተፈሪዶም","content":"ኣብ የመን ቤት ፍርዲ ዕጡቓት ሑቲ ንፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕን ልኡል ስዑዲ መሓመድ ቢን ሳልማንን ኣብ ዘይተረኽቡሉ ንሞት ፈሪዱ። እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ክሲ መዝገብ ዶናልድ ትራምፕ ተኸሲሶም ንዝነበሩ ትሽዓተ ሰባት ብሰንበት ኣብ ኣደባባይ ብሞት ቀጺዑ። ሕቡራት ሃገራት፣ ኣውሮጳዊ ሕብረት፣ ኣመሪካን ብሪጣንያን ነቲ ኣብ ኣደባባይ ዝተፈጸመ ተግባር ቅትለት ብትሪ ኮኒኖም። ሓደ ካብቶም ብሰንበት ኣብ ኣደባባይ ሰንዓ ብጥይት ዝተቐትሉ ሰባት፡ ኣብ ቀይዲ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ትሕቲ ዕድመ ምንባሩ ተገሊጹ። እቶም ሰባት ኣብ 2018 ብኣየር ዝተፈጸመ ቅትለት መራሒ ሑቲ ኢድ ከም ዝነበሮም እዩ ቤት ፍርዲ ዕጡቓት ሑቲ በይኑ። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ እቲ መስርሕ ፍርዲ ንኣህጉራዊ መዐቀኒታት ዘየማልአ ምዃኑ ክገልጽ እንከሎ ኣመሪካ ብወገና ድሕሪ \"ናይ ዓመታት ምስቃይ\" ዝተፈጸመ \"ኣምሰሉ\" ክትብል ገሊጻቶ። የመን፡ ኣብ 2015 ዕጡቓት ሑቲ ንዝበዝሐ ክፋል እታ ሃገር ምስ ተቖጻጸሩ ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ ንመሪሕነት ፕረዚደንት ዓብደራቡሕ መንሱር ሓዲ ናብ ስልጣን ንምምላስ ብዝጀመሮ ስርሒት ብዝተጓሃሃረ ግጭት ከቢድ ዕንወት እዩ በጺሕዋ። በቲ ግጭት ልዕሊ 130,000 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ክግለጽ እንከሎ፡ ሕቡራት ሃገራት እቲ ዝኸፍአ ናይ ዓለምና ቅልውላው ክብል ይገልጾ። በቲ ቅልውላው ከባቢ 5 ሚልዮን ህዝቢ ንዓጸቦ ክቃላዕ ተቓሪቡ ምህላው እዩ ዝግለጽ። ኣብቲ ብሰንበት ኣብ ኢንተርነት ዝተዝርግሐ ስእልን ቪድዮን፡ ወተሃደራት ሑቲ ንትሽዓተ ሰባት ኣብ ኣደባባይ ታሕሪር ብጥይት ኣብ ዝባኖም ክሃርምዎም የርኢ። ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ሑቲ ዝነበረ ሳልሕ ኣል ሳማድ ብናይ ኣየር መጥቃዕቲ ኣብ ከተማ ሑደይዳ ዝተቐተለ ኮይኑ 16 ሰባት ምስቲ ቅትለት ዝተኣሳሰር ንጥፈታት ስለያን ምቕባል ተኣፋፊ ሓበሬታን ገበነኛታት ምዃኖም ተገሊጹ። እቶም ትሽዓተ ብሰንበት ብሞት ክቕጽዑ እንከለው፡ ልኡል ሰዑዲ መሓመድ ቢን ሳልማንን ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕን ዝርከብዎም ሸውዓተ ሰባት ኣብ ዘይተረኽቡሉ ንሞት ተፈሪዶም። በቲ ተግባር ቅትለት ከም ዝሓዘነ ዝገለጸ ኣፈኛ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ተግባር ብትሪ ብምኹናን ኩሎም ወገናት የመን ምጥቃም ናይ ሞት መቕጻዕቲ ከወንዝፉ ጸዊዑ። ኣፈኛ ኣውሮጳዊ ሕብረት ብወገኑ እቲ መቕጻዕቲ ኢ-ሰብኣዊ እዩ ብምባል ኮኒንዎ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58634995"} {"headline":"ዕጫ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ዝተዳጎኑ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት እንታይ ይኹን?","content":"ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ተቓወምቲ የመን፡ ብኣሻሓት ንዝቑጸሩ ኢትጵያውያን ካብ የመን ስለዘባረርዎም፡ ናብ ስዑዲ ዓረብ ተሳጊሮም ንህይወቶም ሓደገኛ ኣብ ዝኾነ ኩነታት ከምዘለዉ ይግለጽ። እቶም ስደተኛታት ኣብ መዳጎንታት ስዑዲ ኣብ ዘሰክፉ ኩነታት ምንባር ካብ ዝጅምሩ ሽድሽተ ኣዋርሕ ቆጺሮም ኣለው። ብሰንኪ ጉድለት ጽርየት፡ ማይን ግቡእ ሽንቲ ቤት ዘይምህላውን ሕጽረት መግብን ብዙሓት ስደተኛታት ንሕማም ተቓሊዖም ኣለው። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ትማሊ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብቲ መዳጎኒታት ይሳቐዩ ከም ዘለውን ሰለስተ ከም ዝሞቱን ገሊጹ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54400243"} {"headline":"ልእልቲ ላቲፋ፡ ጓል መራሒ ዱባይ \"ኣቦይ ጅሆ ሒዙኒ\" ኢላ","content":"ኣብ 2018 ክትሃድም ዝተትሓዘት ጓል መራሒ ዱባይ ኣቡኣ \"ጅሆ\" ሒዙዋ ከም ዘሎን ንህይወታ ከምትሰግእን ዝገልጽ ሚስጢራዊ ምስሊ (ቪድዮ) ናብ መሓዙታ ልኢኻ። ኣብቲ ናብ ቢቢሲ ፓኖራማ ዝተላእኸ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ልእልቲ ላቲፋ ኣል ማክቱም ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ጀልባ ተሳፊራ ካብ ሃገራ ሃዲማ ክትወጽእ ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን ኮማንዶታት ሰራዊት ጨውዮም ከም ዝወሰዱዋን ተኣሲራ ምህላዋን ትዛረብ። ነዚ ሓጺር ሚስጢራዊ መልእኽቲ ዝሓዙ መሓዙታ ድማ ሕቡራት ሃገራት ጣልቃ ክኣቱ ይሓቱ ኣለው። ቅድም ኢሉ ሰብ መዚ ዱባይ ኮነ ሕቡራት ዓረብ ኢመራት፡ ላቲፋ ኣብ ትሕቲ ናብዮት ስድራቤታ ከም ዝኾነትን ድሕነታ ሕልው ምዃኑን ዝገልጽ መግለጺ ኣውጺኦም ነይሮም። ፍልይቲ ልእኽቲ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረት ሜሪ ሮቢንሰን፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ምስታ ልእልቲ ተራኺባ ነይራ። ኣብቲ እዋን \"ዝተጸገመት ንእስቲ\" ክትብል ዝገለጸታ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ብዘሕዝን ኩነታት ብስድራ እታ ልእልቲ \"ከም ዝተታለለት\" ገሊጻ። ፕሬዝደንት ኣየርላንድን ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ነበር ብወገና፡ ልእልቲ ላቲፋ ዘላትሉ ኩነታትን ቦታን ንክግለጽ ዓለምለኻዊ ጸቕጢ ክግበር ጸዊዓ። \" ኩነታት ላቲፋ ኣዝዩ ዘጨንቕ ጉዳይ'ዩ። ኩሉ ነገር ንመርመራ ክፉት ክኸውን ይግባእ\" ኢላ። ወላዲ ኣቡኣ ሸኽ መሓመድ ቢን ራሺድ ኣል ማክቱም ሓደ ካብ ሃፋትም መራሕቲ ዓለም ኮይኑ፡ መራሒ ዱባይን ምኽትል ፕሬዝደንት ሕቡራት ዓረብ ኢመራትን እዩ። እቲ ቅድሚ ዝተወሰኑ ኣዋርሕ ብስልኪ ዝተቐድሐ ምስሊ ልእልቲ ላቲፋ፡ ተታሒዛ ናብ ዱባይ ምስ ተመልሰት ድሕሪ ሓደ ዓመት ብሕቡእ ዝተቐድሐ እዩ። ኣብዚ ኣብ ሽቓቕ ዝተቐድሐ ምስሊ፥ ቲና ጁሃይነን፣ ወዲ ኣኮኣ ማርከስ ኢሳብሪ፣ ተቓላሲ ዴቪድ ሃይ ማእሰርቲ ልእልቲ ላቲፋ ዘቃልዑ ኮይኖም ላቲፋ ናጻ ክትወጽእ ጎስጓስ ይገብሩ ኣለው። ድሕነታ ስለ ዘስግኦም እቲ ቪድዮ ክለቁዎ ከም ዝተገደዱ ክገልጹ እንከለው፡ ላቲፋ ኣብ ዱባይ መስኮትን በርን ኣብ ዝተዓጽወ ገዛ ምህላዋ ገሊጾም። ቢቢሲ'ውን እታ ልእልቲ ዝተትሓዘትሉ ቦታ ብናጻ ኣካል ክጻረ ገይሩ እዩ። ሸኽ መሓመድ፡ ዱባይ ክትዓቢ ገይሩ'ዩ ብዝብል ናእዳ'ኳ እንተረኸበ፡ ተቓወምቱ ብምዕፋንን ደቂ ኣንስትዮ ዘይሓቁፍ ስርዓት ፍትሒ ብምውናን ይንቀፍ። ብተወሳኺ ብኣተሓሕዛ ጓሉ ልእልቲ ላቲፋን በዓልቲ ቤቱ ፕሪንስስ ሃያ ቢንት ዓሊ ሑሴንን'ውን ይንቀፍ። በዓልቲ ቤቱ ቅድሚ ክልተ ዓመት ምስ ክልተ ደቃ ናብ ለንደን ምኻዳ ይፍለጥ። ጓል 35 ዓመት ልእልቲ ላቲፋ፡ ጓል 16 ዓመት እናሃለወት ክትሃድም ፈቲና ነይራ። ኣብቲ እዋን ሄርቬ ጃውበርት ምስ ዝተባህለ ፈረንሳዊ ነጋዳይ እያ ክትሃድም መደብ ነይሩዋ። ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ብ2018 ልእልቲ ላቲፋን ናይ ኣካላዊ ብቕዓት ኣሰልጣኒታን ብጃልባ ኣብ ዓለምለኸ ማያት በጺሐን ናይ ኣመሪካ ባንዴራ ዘለዋ መርከብ ይጽበያ ነይረን። ድሕሪ ሸሞንተ መዓልቲ ናብ ከባቢ ህንዲ ምስ በጽሓ ግን ኮማንዶታት ሰራዊት ነታ ጀልባ ተቖጻጺሮምዋ። ዝሓለፈ ዓመት፡ መሓዙት ልእልቲ ላቲፋ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ቀሪቦም ሸኽ መሓመድ \"ሓቀኛ' ኣይኮነን ኢሎም ነይሮም። ኣብዚ ጉዳይ መንግስቲ ዱባይን ሕቡራት ዓረብ ኢመራትን ርእይቶ ክህብ ተወኪሱዎ ፍቓደኛ ከይኮነ ተሪፉ'ዩ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56088760"} {"headline":"ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ልዕሊ ቐጠር ኣንቢራቶ ዝጸንሐት እገዳ ምድርን ባሕርን ኣልዒላ","content":"ስዑዲ ዓረብ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቐጠር ኣንቢራቶ ዝጸንሓት ናይ ምድርን ባሕርን እገዳታት ኣልዒላ ዳግም ክትከፍቶ ምዃና ኩዌት ሓቢራ። እዚ ስጉምቲ ቅድሚ እቲ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝካየድ ዋዕላ ወሽመጥ ዓረብ'ዩ ዝኸውን ዘሎ። ብመሰረት ሓበሬታ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ፡ ክልቲኣን ሃገራት ነቲ ዘይምስምማዕ ዘኽትም ስምምዕ ክፈራረማ ምዃነን ኣፍሊጡ። ቅድሚ ሰለስተ ዓመትን ፈረቃን ቐጠር ንግብረ ሽበራ ትሕግዝ ኣላ ብዝብል ክሲ ጎረባብታ እገዳ ኣምቢረናላ ከም ዝነበራ ይፍለጥ። ነቲ ዲፕሎማስያውን ንግዳውን ናይ ምንቅስቓስን እገዳ ተግባራዊ ንምግባር፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፡ ባሕሬንን ግብጽን ብሓባር ኮይነን እየን ክሰርሓ ጸኒሐን። ካብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ እታ ንእሽተይ ግን ከኣ ሃብታም ዝኾነት ቐጠር ግን ዝኾነ ጀሃዳውያን ዕጡቃት ከም ዘይትሕግዝ ከትነጽጎ ጸኒሓ። ናብዚብኸመይ በጺሓን? እዚ ሓዲሽ ዲፕሎማስያዊ ተርእዮ እዚ ኣብ ቴሌቭዥን ኩዌት ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሕመድ ናስር ኣል-ሰባሕ'ዩ ተኣዊጁ። ወላ እኳ ክሳብ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብሽምግልና ኩዌት ዝግበር ዝነበረ ጻዕርታት ብዘይፍረ ክብተን እንተጸነሐ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ቁሩብ ኣዋርሕ ግን ተስፋ ዘለዎም ምልክታት ክዓቢ ከም ዝጸንሐን፡ ነቶም በዚ ጉዳይ ንዝተጎድኡ ከኣ ሩፍታ ዝህብ ከም ዝኾነ ናይ ቢቢሲ ዓረብ ኣፈይርስ ኣሰናዳኢ ሳበስትያን ኣሸር ጸብጺቡ። ምምሕዳር ኣሜሪካ ኣብዚ ጉዳይ ርኡይ ተራ ከምዝተጻወተን፡ ኣብቲ ሎሚ ኣብ ዝካየድ ናይ ምፍርራም ስምምዕ፡ ንፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ወኪሉ ሰብኣይ ጓሉ ጃሬድ ኩሽነር ክሳተፍ ምዃኑ ሰብመዚ ኣሜሪካ ኣፍሊጦም። ናይ ቐጠር ኣሚር ታሚም ቢን ሓማድ ኣል ታኒ፡ ኣብቲ ኣኼባ ንምስታፍ ብንጉስ ስዑድ ዓረብ ሳልማን ንዝተገብሮ ዕድመ ከም ዝተቐበሎ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ገሊጹ። ሓደ ካብቶም ነቲ ኣኼባ ዘወሃህዱ፡ ስዑድ ዓረብ፡ ሰማያዊ ክሊን ናይ ባሕርን ዶባትን ናይ ምኽፋት ስጉምቲ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ምትእምምን ዝፈጥር ምዃኑ ኣብሪሁ። ኣብ 2017 እቲ እገዳ ምስ ተገብረ፡ እቲ ኣሚር ንዝኾነ ዜጋ ናይ ቐጠር ምንቅስቓስ ዝደረተት ሃገር ኣይክኣቱን እዩ ኢሉ ምንባሩ ይፍለጥ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55543051"} {"headline":"ስዑዲ ዓረብ፡ ቅልውላው የመን ንምፍታሕ ሓድሽ እማመ ሰላም ኣቕሪባ","content":"ስዑዲ ዓረብ ነቲ ንልዕሊ ሽድሽተ ዓመታት ዘቑጸረ ቅልውላው የመን ንምፍታሕ ሓድሽ እማመ ሰላም ኣቕሪባ። እቲ እማም ሰላም፡ ኣብ መንጎ ብስዑዲ ዝድገፉ መንግስቲ የመንን ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቐዓት ሑቲን፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝምራሕ 'ቶኵሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ' ዝብል እዩ። እቲ እማመ ሰላም፡ ወሳኒ ናይ ኣየርን ባሕርን መስመራት ክፉት ምግባርን ፖለቲካዊ ዝርርብ ምጅማርን ዝብል ድማ ይርከቦ። ዕጡቓት ሑቲ ግና፡ እቲ እማመ ናይ ባሕርን ኣየርን መስመራት ንክኽፈቱ እዚ ዝበሃል ትርጉም ዘለዎ ሓድሽ ሓሳብ የብሉን ኢሎምዎ። እቲ ናይ ሰላም ሓሳብ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ስዑዲ [ርያድ] ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር መስፍን ፈይሳል ቢን ፋርሃን እዩ ቐሪቡ። ንሱ፡ መራሕረቲ ሑቲ ነቲ እማመ ሰላም ክቕበልዎ ጻውዒት ገይሩ ነይሩ። ሑቲ ፡ነቲ እማመ ሰላም ኣብ ዝተቕበልሉ ሽዑ ንሽዑ፡ ተኹሲ ጠጠው ክብል ምዃኑ እዩ ኣፍሊጡ። እቲ ዓለምለኸ ኣፍልጦ ዘለዎ መንግስቲ የመን ነቲ ናይ ሰላም ሓሳብ ዝተቐበሎ ኸይኑ፡ መራሕቲ ሑቲ ግና ነጺጎምዎ ኣለዉ። ንሳቶም፡ እቲ እማመ ሰላም ተባሂሉ ዝቐረበ ሓድሽ ነገር ከምዘይብሉን፡ ኣብ ልዕሊ መዕርፎ ነፈርቲ ሰንዓን [ርእሰ ከተገማ የመን] ኣብ ምዕራብ ሁዳይዳህን ዝርከብ ወደብ ባሕርን ዝተነብረ ናይ በረራ እገዳ ሙሉእ ንሙሉእ ክለዓል እዮም ዝጠልቡ። ዋና ተደራዳሪ ሑቲ፡ ሞሓመድ ዓብደልሰላም፡ \"ስዑዲ ዓረብያ ጠቕሊላ ነቶም ኣብ ልዕሊ መዕርፎ ነፈርትን ወደባት ባሕርን ዝተነብሩ እገዳታት ክለዓሉ ክትቅበል፤ ከምኡ'ውን በቲ ጥምረት ሓይልታት ዝተጨውያ 14 መራኽብ ክልቀቓ ኢና ንጽበ\" ኢሉ ከምዝተዛረበ ሮይተርስ ጸብጺቡ። እቲ ጉጅለ ምስ ስዑዲ ዓረብ፣ ምስ ኣመሪካ ኮነ ምስ ዖማናዊ ኣደራዳሪ ምዝርራብ ክቅጽሉ ምዃኖም ወሲኹ ሓቢሩ። ሰበ ስልጣን ስዑዲ ዓረብ ድማ፡ እቲ እማመ ሰላም ብዝምልከት ምስቶም ኣብ ምፍጣር እቲ ቅልውላው ኢድ ዝነበሮም ኣካላት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ምስ ኣመሪካን ካልኦትን ምዝርራብ ጀሚሮም ከምዘለዉ ይገልጹ። ዕጡቓት ሑቲ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ካብ ኣመሪካ ዝቐረበ ኣብ ሙሉእ ሃገር ቶኵሲ ጠጠው ናይ ምባል ጻውዒት ምንጻጎም ዝዝከር እዩ። እቶም ሓይልታት፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጸዓትን መሰረተ ልምዓትን ስዑዲ መጥቃዒቲታት ኣጽዒቖም ከምዘለዉ እዩ ዝዝረብ። ብስዑዲ ዝምራሕ ጥምረት ድማ ናይ ኣየር ድብደባ የካይድ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ስዑዲ ዝቐረበ ሓዊሱ፡ ብዙሓት ናይ ሰላም ጻውዒታትብዘይ ፍረ ምትራፎም ዝዝከር እዩ። እቲ ናይ ሕዚ ናይ ሰላም ጻውዒት ተቐባልነት እንተረኺቡ ግን፡ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝእለ እዩ ክኸውን። ትንታነ ካብ ቢቢሲ ላይስ ዶቼት ዝተብሃለት ተንታኒት ቢቢሲ ከምዝበለቶ፡ እቲ ናይ ሰላም መስርሓት ኣብ ተግባር ይፍተን ከምዘሎ እዩ ዘርኢ። ብፍላይ ኣመሪካን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ፍሉይ መልእኽተኛ ምስዳደን ከምኡ ድማ፡ ዛጊድ ምስ ኣመሪካ ዘለዋ ርክብ ብጉዳይ ጋዜጠኛ ጀማል ካሹጊ ጠቕሊሉ ዘይተብላሸወ ስዑዲ፡ ናይ ኣመሪካ ሓሳብ ምቕባላ እዩ ዘርኢ ኢላ። ካብዚ ንደሓር፡ ናይ ሰላም ጻውዒት ዘይምቕባል ዘንቅፎም ንሓይልታት ሑቲ ከምዝኾነ ድማ ገሊጻ። ብፍላይ እቲ ኣብ ልዕሊ መዕርፎ ነፈርትን ወደባት ባሕርን ተነቢሩ ዝነበረ ናይ በረራን ምንቅስቓስን እገዳ፡ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ዘስዕቦ ዘሎ ሰብኣዊ ቅላውላው ከቢድ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ። ሑቲ፡ መሰል ሕቶ ከቕርቡ እዮም ጸኒሖም። ሓይልታት ሑቲ፡ ከም በዓል ማሪብ ዝኣመሰሉ ኣዝዮም ወሰንቲ ዝኾኑ ከባብታት ዝተቖጻጸረ ኸይኖም፡ ኩሎም ተጻባእቲ ሓይልታት ናብ ናይ ሰላም ጠረጴዛ ክመጸኡ ዘተባብዕ እዩ ትብል፤ ቀሊል ከምዘይኮነ ግን ኣዘኻኺራ። ንሓይልታት ሀዑቲ እትድግፍ ኢራን ንርእሳ ናታ ናይ ሰላም ሓሳብ ክተቕርብ ትጽቢት ከምዝግበር እዩ ዝግመት። ኣብ 2011 እቲ ኣብ ቱንዝያ ዝተወለዐ ናዕቢ፡ ቀልጢፉ'ዩ ናብ ከም በዓል ሊብያ፡ ግብጺ፡ ሶርያን የመንን ዝበላ ሃገራት ዓረብ ተላቢዑ። እቲ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ርእሰከተማ ሰንዓ ምስ ሓየለን ካብ ምቁጽጻር መንግስቲ ወጻኢ ምስ ኮነን እቲ ነታ ሃገር ንነዊሕ እዋን ዝመርሓ ፕረዚደንት ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ፡ ካብ ስልጣን ክወርድ ተገዲዱ። ፕረዚደንት ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ኣብ 2011 ስልጣኑ ንዓብደሮቦ ሃዲ ከረክብ ተገዲዱ'ዩ ምክትሉ ዝነበረ ዓብዱሮቦ መንሱር ሓዲ ንዕኡ ተኪኡ ኣብ ስልጣን ደዪቡ። ይኹን 'ምበር፡ ፕረዚደንት ሓዲ፡ ክቆጻጸሮም ዘይክእል ብድሆታት'ዮም ገጢሞሞ። ከም በዓል ኣልቃዒዳ ዝበሉ ጅሃዳውያን ጉጅለታት፡ ዘይምእዙዝ ሰራዊት፡ ብልሽውና፡ ሸቕለት-ኣልቦነትን ሕጽረት መሰረታውያን ሃለኽቲ ዝበሉ ጸገማት ክፈትሖም ብዘይ ምኽኣሉ፡ ናዕቢታት ቀጺሉ። ኣብ መጀመርታ 2015 ከኣ እቶም ብኢራን ይድገፉ'ዮም ተባሂሎም ዝሕመዩ ዕጡቓት ሑቲ ንርእሰ ከተማ ሰንዓ ተቖጻጺሮማ። መንግስቲ ፕረዚደንት ሓዲ ድማ ናብ ደበብ የመን ብምንስሓብ፡ ኣብ ከተማ ዓደን ኣትዩ። ኣብቲ እዋን'ቲ ዝነበረ ሰራዊት መንግስቲ ድማ፡ ናብ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ተመቓቒሉ፡ ከም ሃገራዊ ሰራዊት ፈሪሱ። እቲ ብፕረዚደንት ሃዲ ዝምራሕ መንግስቲ ከኣ ውሱን ሓይሊ ጥራይ ሒዙ ተሪፉ። ብጽልዋ ኢራን ኣብ ጉዳይ የመን ዝሰግአት ሱዕዲ ዓረብ ድማ፡ ኣንጻር ሑቲ ቀጥታዊ ወታሃደራዊ መጥቃዕትታት ክትወስድ ወሲና። ሓያሎ ሃገራት ዓረብ ዝሓቖፈ ወታሃደራዊ ልፍንቲ ብምምስራትን ነቲ ናብ ዓደን ዝተዓቑበ መንግስቲ ብምድጋፍን ካብ መጋቢት 2015 ጀሚራ ኣንጻር ዕጡቓት ሑቲ ናይ ኣየርን፡ ምድርን ባሕርን መጥቃዕትታት ከተካይድ ጸኒሓ። ኣብ ኲናት የመን፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ሞይቶም፡ ብዙሓት ካልኦት ቆሲሎም፡ ሚልዮናት ድማ ኣደዳ ዓጸቦን ጥሜትን ክኾኑ ተገዲዶም'ዮም። ቅልውላው የመን ክፍታሕ እንተኾይኑ፡ ስዑዲን ኢማራትን ንህዝቢ የመን ካብ ምክፍፋል ኣድሒነን፡ ምስቲ ጉጅለ ሑቲ ክላዘባ ክኽእላ ኣለወን ዝበለ፡ ኣቶ ኣሕመድ ኣልቀይሲ፡ \"እቲ ጸገም ሕጽረት ኣጠማምታ'ዩ\" ኢሉዎ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56480543"} {"headline":"ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንላዕለዋይ ልኡኽ ስዑዲ ዓረብ ትማሊ ምሸት ተቐቢሉ","content":"ብሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ስዑዲ ዓረብ ኣሚር ፋይሳል ቢን ፈርሓን ኣል ስዑድ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ኤርትራ ኣትዩ። እቲ ጉጅለ ልኡኽ ትማሊ ምሸት 15 ታሕሳስ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ። ካብ ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚዝ ኣል ሱዑድ ከምኡ'ውን ካብ ኣሚር መሓመድ ቢን ሳልማን ንዝተልኣኸሉ መልእኽቲ ከም ዝተቐበለ'ውን ኣቶ የማነ ዝጠቅዖ ሓበሬታ የመልክት። ኣብ'ቲ ርክብ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝህሉ ኣብ ሓባራዊ ጥቕምታት ዝተመርኮሰ ሽርክነት ኣተኲሮም ከምዝዘተዩን ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ ከምዝበጽሑን ተገሊጹ። ነቶም ዝተበጹሑ ስምምዓት እተከታተል ናይ ሓባራዊ ኮሚቴ ከቑሙ ከምእተሰማምዑ'ውን ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣፍሊጡ። ብዛዕባ እቶም ዝተበጽሑ ስምምዓት ግን ዝተዋህበ ዝርዝራዊ ሓበሬታ የለን። ኲናት የመን ኣብ 2014 ድሕሪ ምጅማሩ፡ ክልቲአን ሃገራት ጥቡቕ ዝምድና ምምስራተን ይፍለጥ። ኤርትራ፡ ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ወታሃደራዊ-ኪዳን ከም እትድግፍ ምግላጻ ይዝከር። ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ብወገና፡ ነቲ ኣብ ሓምለ 2018 መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ኣብ ምምጻእ ተራ ከምዝነበራ ተንተንቲ ይገልጹ። እቲ ፈለማ ኣብ ኣስመራ ብፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም፡ ኣብ መስከረም ናይቲ ዓመት ኣብ ጂዳ ዳግማይ ምፍራሙ ይዝከር።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/55328672"} {"headline":"ሕቡራት ኢማራት ዓረብ 'ፍሉይ ክእለት’ ንዘለዎም ወጻዕተኛታት ዜግነት ክትህብ እያ","content":"ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣብ ሃገራ ኣትዮም ንዝሰርሑን ንዝመሃሩን፡ ፍሉይ ክእለት ዘለዎም ዜጋታት ወፃኢ፡ ንፈለማ እዋን ዜግነት ክህብይ እየ ኢላ። ምክትል ፕረዝደንትን ኣማሓዳሪ ዱባይን ሸኽ መሓመድ ቢን ራሺድ፡ “ንኢማራት ዓረብ ሓድሽ ሃፍቲ ዝውስኹን ፍሉይ ክእለት ንዘለዎምን፡ ተምሃሮ፣ ዶካትር፣ መሃንዲሳት፣ ከየንቲ፣ ሰብሃፍትን መሃዝትን ዜግነት ክንህቦም\" ኢና ኢሉ። እቶም ፍሉይ ክእለት ዘለዎም ሰባት ምስ ስድርኦም ዜግነት ኢማራት ዓረብ፡ ከምዝብርከተሎም ድማ፡ እቲ መራሒ ኣፍሊጡ። እንተኾነ፡ ትሑት መሃያ ኣብ ዝኽፈለሉ ዘፈር ስራሕ ዝተዋፈሩ ዜጋታት፡ ተኻፈልቲ እዚ ዕድል ዝኾንሉ ዕድል፡ ውሑድ ምዃኑ ተገሊፁ። ኢማራት ዓረብ ኣብ ጎደና ዕብየት ትግስግስ ብምህላዋ፡ ነዚ ዕብየታ ከኣ ግደኦም ንዘበርክቱ ሰባት ንምትብባዕ፡ ዜግነት ምሃብ ኣድላይ ኮይኑ ከምዝተረኸበ ተገሊፁ። ነዚ ዜግነት ንምርካብ ግና፡ ምምልካት ኣየድልዮን። 'ኳድኣስ፡ ነዚ ዜግነት ዝሽለሙ ውልቀሰባት፡ ብሰብመዚ ኢማራት ዓረብ ዝተሓረዩ እዮም። ካቢኔ ኢማራት ዓረብ ከኣ፡ ነዚ ዜግነት ብምፅዳቕ ድምፂ ይህበሉ። እዚ ሜላ፡ ኢንቨስተራት ወፃእን ሰብ ፍሉይ ክእለትን፡ ምስ ኢማራት ዓረብ ጥቡቕ ርክብ ንክህልዎምን፡ ኢማራት ዓረብ ከም ሃገሮም ጌሮም ክርእይዋን ዘኽእል እዩ ተባሂሉ። ሓደ ጋዜጣ እታ ሃገር፡ እዚ ንዜጋታት ወፃኢ ዜግነት ናይ ምሽላም ስጉምቲ፡ ፍርያት ነዳዲ ኣብ ዝነከየሉን፡ ዜጋታት ወፃኢ ነታ ሃገር ገዲፎም ኣብ ዝወፅእሉን ግዘ ምዃኑ ፀብፂቡ። ኣብ ጉዳያት ዓረብ ኤዲተር ቢቢሲ ሰባስትያን ኣሸር፡ ሃገራት ወሽመጥ፡ ማእኸል ፋይናንስን ቱሪዝምን ዝኾናሉ መገዲ ኣብ ዜጋታት ወፃኢ ዝተደረኸ ምዃኑ እዩ ዝገልፅ። ዕድል ስራሕ እዘን ሃገራት 90 ሚእታዊት ኣብ ዜጋታት ወፃኢ ዝተንጠልጠለ እዩ፤ ነበርተን’ውን መብዛሕትኦም ዜጋታት ወፃኢ እዮም። መብዛሕትኦም ዜጋታት ወፃኢ፡ ንዓመታት ዝሕደስ ናይ ስራሕ ቪዛ ሒዞም ንክፀንሑ ይግደዱ። ትሑት ኣታዊ ዝረኽቡ ሸቃሎ’ውን፡ ንቁጠባ ኢማራት ዓረብ ዕዙዝ ግደ እዩ ዘለዎም። መብዛሕትኦም ትሑት መሃያ ዝረኽቡ ሰራሕተኛታት፡ ዝረኽብዎ ገንዘብ ናብ ሃገሮም ዝልእኹ እዮም። ዋላ’ኳ ዝበዝሑ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ሰራሕተኛታት፡ ዝበዝሕ ዕድመኦም ኣብኡ እንተሕለፍዎ፡ ቀዋሚ ናይ መንበሪ ፍቓድ ኮነ ዜግነት ንምርካብ ከቢድ ኮይኑ እዩ ፀኒሑ። እዚ ነዞም ትሑት ኣተዊ ዝረኽቡ ሸቃሎ ዜጋታት ወፃኢ ዘግለለ ሓድሽ ዜግነት፡ ኣብ ልዑል ብርኪ ንዝርከቡ ሰብሞያን ዜጋታት ወፃኢ ኮይኖም፡ ሃፍቶም ኣብታ ሃገር ንዘውፈሩ ጥራሕ ዝተተለመ ይመስል። ኣብ 2019 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ሸኽ መሓመድ ኣልመክቱብ፡ ንሰብሃፍቲ፣ ዶካትርን ተመራመርትን፡ ወርቃዊ ካርዲ ዝብል ቪዛ ምሃብ ከምዝጀመረ ይዝከር። እዚ ከኣ፡ ዝተመረፁ ዜጋታት ወፃኢ፡ ን 10 ዓመታት ዝግልገልሉ ቪዛ ንክረኽቡ ዘኽእል ኔሩ። እዚ ወርቃዊ ቪዛ ልዑል ውፅኢት ንዘመዝግቡ ተምሃሮ’ውን፡ ዝወሃበሉ ኩነታት ኔሩ። ሕዚ ግና ዜግነት ኢማራት ዓረብ ክረክብ ዝደልይ በዓልሃፍቲ፡ ኣብታ ሃገር ዓብይ ንብረትን ትካልን ክህልዎ ግድን እዩ። ዶካትር፡ ልዑል ጠለብ ኣብ ዘለዎ ዓውዲ (ስፔሻላይዝድ) ዝገበሩ ክኾኑ፣ መሃዝቲ ድማ ብኢማራት ዓረብ ዝተረጋገፀ መበቆላዊ ዋንነት ክህልዎም ኣለዎም። እንተኾነ እዞም ሓድሽ ዜግነት ዝህልዎም ዜጋታት ወፃኢ፡ ካብ ስርዓት ድሕንነት (ዌልፈር) እታ ሃገር ተረባሕቲ ክኾኑ ድዮም ዝብል፡ ግልፂ ኣይኮነን። ኢማራት ዓረብ ኣስታት 1 ነጥቢ 4 ሚልየን ንዝኾን ህዝባ፡ ናጻ ትምህርቲ፣ ሽፋን ጥዕና፣ ናይ ገዛ ልቓሕን ካልኦትን ጥቕማ ጥቕሚ ትህብ። ይኹን’ምበር ዜጋታት ወፃኢ እዚ ጥቕማ ጥቕሚ ይረኽቡ ድዮም ዝብል፡ ብንፁር ኣይተቀመጠን። ኣብ ሃገራት ወሽመጥ፡ ንዜጋታት ወፃኢ ዜግነት ምሃብ ልሙድ ኣይኮነን። ዜግነት እንተተዋሂቡ’ውን፡ ዜግነት ኢማራት ዓረብ ናይ ዘለዎ\/ዋ መፃምዲ፡ ወይከኣ ዜግነት ኢመራት ዓረብ ካብ ዘለዎ ኣቦ ንዝተወለዱ ቆልዑ ጥራሕ እዩ ዝወሃብ። ምስ ዜጋ ወፃኢ ሓዳር ገይራ ዝወለደት ኣደ፡ ደቃ ብቀጥታ ዜግነት ኣይረኽቡን።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55877240"} {"headline":"ሰብአዊ መሰላት ስዑዲ ብምምሕዳር ጆ-ባይደን ሓዲሽ ቆላሕታ ተዋሂቡዎ'ሎ","content":"ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሳላት፡ ስዑዲ ዓረብ ብዛዕባ ብእትፍጽሞ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክትሕተት ይግባእ ይብሉ። ናይ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ናይ ጎስጓስ ጉጅለ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ንስዑዲ ዓረብ ዳርጋ \"ድልየታ ንኽትገብር ምሉእ ናጽነት እዩ ሂቡዋ ጸኒሑ\" ኢሉ። ኣብቲ ስዑዲ ዓረብ እትፍጽሞ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ነቲ ዓሰርተታት ኣሻሓት የመናውያን ዘህለቐ ንሽዱሽተ ዓመት ዝተኻየደ ከቢድ ግጭት ርእዩ ከምዘይረኣየ ብምጽቃጡ ነቒፉዎ። ምምሕዳር ጆ ባይደን፡ ኣብ ጉዳይ ስዑድን ኩናት የመንን ብዝምልከት ሰብኣዊ መሰል ዘቐድም ሓዲሽ ገምጋምን ክለሳን ክካየድ ምዃኑን ኣብ ኣኽብሮት መሰል ሰብ ዘተኮረ ዝምድና ክምስረት ምዃኑ ተመባጺዑ ኣሎ። ፕረዚደንት ባይደን፣ ኣመሪካ፡ ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ወፍሪ ዝወሃብ ደገፍ ደው ከብሎ ምዃኑ ምልክት ሂቡ'ሎ ። ድሮ እኳ ኣብታ ቀዳመይቲ ዘበነ ምጅማር ስልጣኑ እቲ ናብ ስዑድያን ሕቡራት ኢማራትን ብቢልዮናት ዶላራት ዝግመት ሸመተ ኣጽዋር ዳግም ክሳብ ዝኽለስን ዝረአን ደስኪሉ ከምዘሎ ኣረዲኡ። ግን እዚ ምምሕዳር ባይደን ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ናይ ብሓቂ ዝቕየሮ ነገር ክህሉ ድዩ? ኣመሪካ ነቲ ኣብ ንግስነት ስዑዲ ዝፍጸም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከይተረፈ ድያ ክትከታተሎ ወይስ ነቲ ኣብ ጐረቤት ሃገር የመን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ጥራይ እያ ጠጠው ከትብሎ? ቅድሚ ኩሉ፡ ስዑዲ-ዓረብ ቀረባ ጸጥታዊ መሻርኽቲ ኣመሪካ ኣብ ዓረባዊ ዓለምን፡ ኣንጻር እቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነጥፉ ብኢራን ዝድገፉ ሚሊሻታት እስትራቴጂካዊ መሓዛ ኣመሪካን ቀንዲ ዓሚል (ዓዳጊት) ዘበናዊ ኣጽዋርን እያ። ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም (SIPRI) ከምዝሕብሮ ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ዓመተ 2015-19 ኣብ ዓለም እታ ካብ ኣመሪካ ዝበዝሐ ኣጽዋር ዝገዝአት ሃገር እያ። ብሪጣንያ እትርከበን ምዕራባውያን ሸየጥቲ ኣጽዋር ከኣ ኣብቲ ኣብ የመን ዝካየድ ኵናት ዝውዕል ተተኮስቲ ከምዝሸጣላ ይጽብጽብ። ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝነብር ተጣባቒ ኣንጻር መሸጣ ኣጽዋር ኣንድሪው ስሚዝ ካብቲ ባይደን ምክትል ባራክ ኦባማ ኮይኑ ስልጣን ኣብ ዝሓዘሉ ዝነበረ እዋን ንላዕሊ ዝሓየለ መርገጺ የድሊ ይብል። ሰበ-ስልጣን ስዑዲ: ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ዜደንቕ ምንቁልቋል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም እተራእየ ይጠቕሱ ። እቶም ኣብ ዙርያ መሓመድ ቢን ሳልማን (MBS) ዘለው ላዕለዎት ሰበስልጣን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምስሊ ስዑዲ ኣብ ግዳም ብኣሉታ ይጸልዎ ከምዘሎ ብንጹር ፈሊጦም ኣለው። ኣባል ፓርላማ ብሪጣንያ ክሪስፒን ብላንት መሓመድ ቢል ሳልማን ካብቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባት ተገራጫዊ ምኽሪ ከምዝቐርበሉ፡ እዚ ብጆ ባይደን ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዝወሃብ ዘሎ ተገዳስነት ከኣ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ዘለዋ ምስሊ ንኽትቅይር ዕድል ዝህብ ኣጋጣሚ እዩ። መሓመድ ቢን ሳልማን፡ \"ንጃማል ካሾጊ ክቕተል ኣዚዝካ ዲኻ?\" ተባሂሉ ተሓቲቱ ኣሎ ። መሓመድ ቢን ሳልማን ብ2017 ናብ ስልጣን ካብ ዝድይብ ንደሓር ስዑዲ ዓረብ፡ ሓደ ህንጡይ ግርምቢጥ ኣጋጢምዋ ኣሎ ። እቲ ልዑል ንጸቕጢ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ብምግታእ፡ ደቂ ኣንስትዮ ስዑዲ መኪና ክዝውራ፡ ኩሉ ጾታ ዝሳተፎ ህዝባዊ መዘናግዕን ቦታታት ብምኽፋትን ምፍቃድ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሰውራ ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ሎሚ ስዑዲ ዓረብ ካብቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝነበረቶ ተቐይራ ባህ እተብልን ሃገር ኰይና ኣላ ። ይኹን እምበር: እቲ ከም ብዙሓት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ስዑድያ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ክሸራሸር ዘይደሊ ልዑል መሓመድ ቢል ሳልማን፡ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል ፈጺሙ ዓጽዩዎ ኣሎ። ስዑዳውያን ወላ'ኳ ኣብ ጐደናታት ወጺኦም ሰላማዊ ሰልፊ እንተዘይገበሩ ብመገዲ ኢንተርነት ግን ምዕዝምዛም ኣየቋረጹን። ሕጂ ግን ከምኡ ክገብሩ እውን ኣይክእሉን እዮም። እቶም ንመደባት እቲ ልዑል ብሰላማውን ሃናጽን ኣገባብ ዝነቕፉን ሰባት ብንእሽቶ መመኽነይታ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ይርከቡ። ክሲን ግህሰትን ኣብ ምዕራብ ዓለም፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ንመሓመድ ቢን ሳልማን ናብ ሓደ ጽሉእ ሰብ ቀይርዎ ኣሎ ። እዚ ነቲ ኣብ 2018 ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዝርከብ ቆንስል ስዑዲ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ዝተፈጸመ ቅትለትን ዘስካሕክሕ ተግባራት ምሕቃቕን (ኣብ ቀረባ እዋን ብሲኣይኤ ሓድሽ ዝርዝራት ክወጽእ ይኽእል እዩ)፡ ኣብ ልዕሊ ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ፡ ሉጃን ኣል-ሃትሉል ከምኡ እውን ብቐጻሊ ዘጋጥም ዘሎ ማእሰርትን መግረፍትን ፡ ከምኡ \"ውን ኣብ ልዕሊ ስርዓተ ፍትሒ ስዑዲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሕጊ ምጉዕጻጽን ዘጠቓልል እዩ ። እቲ ፍርዲ መብዛሕቱ እዋን ብሕቡእ እዩ ዝካየድ። እቶም ተኸሰስቲ ጠበቓታትን ከይገብሩ ኣይፍቀዶምን። ኣብያተ-ፍርዲ ጸረ ግብረ-ሽበራ ከኣ ንተቓወምቲ ንምዕፋን ይሰርሓ። ናይ ስዑድያ ተሓላቒ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ሉጃን ኣል-ሃትሉል ኣብ ቤት ፍርዲ ግብረ ሽበራ እያ ቀሪባ። ኣብ ምሕደራ ልዑል ቢን ሳልማን ብዙሕ ናይ ሽርበት ገዳይ ተራእዩ እዩ። እቲ ተግባር ክሳብ ላዕለዎት ሰባት እቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ እውን እዩ ዘጠቓልል። ንኣብነት ወዲ 79 ዓመት መስራቲ መንግስቲ ልዑል ኣሕመድ ቢን ኣብዱልዓዚዝ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብክሕደት ሃገር ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ይርከብ። ብተወሳኺ፡ እቲ ኣብ 2000 ዓመተ ምሕረት ንስልኳ ኣልቃዒዳ ዝተቖጻጸረን ዝሰዓረን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳይን ነበር ልዑል መሓመድ ቢን ናየፍ፡ ኣብ ግሉል ቦታ ተኣሲሩ ይርከብ ። ብ2017 ናብ ካናዳ ሃዲሙ ዝኸደ ሓላፊ ጸጥታ ስዑድን ቀንዲ መሻርኽቲ ሲ.ኣይ.ኤ ዝነበረ ሳዓድ ኣል-ጃብሪን፡ መሳርሕቱ፡ ድሕሪ ቅትለት ካሾጊ ኣብ ዝነበራ ሳምንቲ ክቐትልዎ ናብ ካናዳ ከምዝተላእኩ ኣብ ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን ክሲ መስሪቱ'ሎ ። ደቂ ኣል-ጃብሪ ገንዘብ መንግስቲ ከም እተጠቕሙ ተኸሲሶም ኣብ ስዑዲ ካብ ዝርከብ ገዝኦም ተታሒዞም ኣለው። ጥንቁቕ ድምጺ ፕረዚደንት ትራምፕ ነዚ ጕዳይ እዚ ብዙሕ ኣየቕለበሉን ። ንሱ ኣብ 2017 ንፈለማ ግዜ ኣብ ወጻኢ ሃገር ናብ ሪያድ ፕረሲደንታዊ ምብጻሕ ገይሩ። ካብ ምሕታት ምምሕያስ ሰብኣዊ መሰላት ንላዕሊ ከኣ ምስቲ ኣብቲ መሪሕነት ውዑላት ክገብር ኣብ ምግባር እዩ ዘተኵር ነይሩ ። ኣንድሪው ስሚዝ፡ \"ዝዀነ ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ኣብ ጉዳይ ደሞክራሲ ብዙሕ ጽልዋ ክገብር ይኽእል እዩ። ትራምፕ ግን ከምኡ ኣይገበረን\" ኢሉ ። ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 20 ግንቦት 2017 ኣብ ሪያድ ኣብ ዝርከብ ቤተ-መንግስቲ ሙራባ ኣብ እተገብረ ኣብ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ድግስ ሳዕሲዑን ተፈሲሁን። ንነዊሕ ዓመታት ኣተሓባባሪ ፖሊሲ ማእከላይ ምብራቕ ኰይኑ ዘገልገለ ገዲም ኣመሪካዊ ዲፕሎማሰኛ ዴኒስ ሮስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ \"ምምሕዳር ትራምፕ [ምስ ስዑድያ ዘለዎ ጥቡቕ ርክብ] ሰብኣዊ መሰላት ንምኽባር ስለዘይተጠቕመሉ ዓብዪ ጌጋ ገይሩ። ነዚ ከኣ ብዘይ ስትራተጂያዊ ረብሓን ተገዳስነትና ከመይ ጌርካ ትልክዖ ?\" ይብል። ሽሕኳ ምምሕዳር ባይደን ነዚ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ነገራት ንምእራም ዕላማ እንተለዎ፡ ኣብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣብ ሲ.ኣይ.ኤ: ኣብ ፔንታጎንን ኣብቶም ሓያላት ናይ ኣመሪካ ናይ ኣጽዋር ሎቢስት ንስዑድያ ብዝምልከት ጥንቁቕ ኣቀራርባ ከምዘድሊ ይገልጹ። እቲ ስልጣን ብገለ ምኽንያት ካብ መብዛሕትኦም ኣባልት ስድራቤት ኣል-ስዑድ እንተ ጎዲሉ፡ እቲ ስልጣን በቶም ተረርቲ ተኸተልቲ እምነት ምስልምና ዝዀኑ ብሃገራት ምዕራብ ዘይግደሱ ሓይልታት ክትካእ ሰፊሕ ዕድል ከምዘሎ ከም ደኒስ ሮስ ዝኣመሰሉ ዲፕሎማሰኛታት የጠንቅቑ። \"ንስዑዲ እዚ ግበሩ እዚ ኣይትግበሩ ክንብሎም ኣይንኽእልን ኢና። ንዝኾነ ሰብ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣብ ርእሱ ኣይትሃርሞን ኢኻ። ወይ ከኣ ዓሚቚ ጕድጓድ ክዅዕቱ ኣይተገድዶምን ኢኻ። ብብሕቲ ጽዑቕ ዝርርብን ዘተን እዩ ክግበር ዘለዎ\" ትብል። ። ሰይቲ ጃማል ካሾጊ ንመሓመድ ቢል ሳልማን ብቕትለት በዓል ቤታ ከሲሳቶ ኣላ። ናብቲ ፈለማ ዝተላዕለ ሕቶ ክንምለስ፡ 'ምምሕዳር ባይደን ንሰብኣዊ መሰላት ስዑዲ ከመሓይሽ ይኽእል ድዩ ? \" ነታ ሕቶ፡ እወ፡ ይኽእል እዩ ኢልና ክንምልሳ ንኽእል ። ይኹን እምበር፡ ዋይት ሃውስ ነቲ ዛዕባ ክሳብ ክንደይ ከምዝደፍኣሉን ኣብ መወዳእታኡ ክልቲአን ሃገራት ረብሐአን ንምሕላው ብኸመይ ይሰርሓን ክርእያ እዩ እቲ ኣገዳሲ። ብሓጺሩ እቲ ዝኽተልኦ ሜላ እዩ ዝውስን ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሩስያን ቻይናን ምስ ሪያድ ዝያዳ ንግዲ ከካይዳ ይደልያ እየን። ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ድማ ዝኾነ ሕቶ ኣየልዕላን እየን ። እንተዀነ ግን፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኣመሪካ ቀንዲ ስትራተጂያዊት መሻርኽቲ ስዑዲ ዓረብ ኰይና ትቕጽል ኣላ። ሓደ ወዲ ውሻጠ ንጉሳዊ ቤት ፍርዲ ከምዝሓበሮ \"ምምሕዳር ባይደን ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዝሓየለ ብርሃን ከብርህ እዩ ዝደሊ። ንሱ ከኣ ብቓላት ዘይኰነስ ብግብሪ እዩ ክኸውን ዘለዎ \" ይብል ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55960887"} {"headline":"ስምምዕ ልፍንቲ ስዑዲ ዓረብን ቐጠርን ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ዝህልዎ ጽልዋ","content":"መራሕቲ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፡ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ቐጠር ኣንቢረንኦ ዝጸንሓ እገዳ ንምልዓል ኣመልኪቶም ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ናይ \"ምሕዝነትን ርግኣትን\" ስምምዕ ከቲሞም። ዝርዝር ትሕዝቶ እቲ ስምምዕ ዛጊት እንተዘይተገለጸ እኳ፤ ስዑዲ ዓረብ ንክሊ ኣየራን ምስ ቐጠር ዘዳውባን ከባቢታት ድሕሪ ምኽፋታ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ኣሚር ቐጠር ናብ ኣል-ዑላ ኣብ ዝገሸሉ ወራሲ ዓራት ስዑዲ ተቐቢልዎ ኣሎ። ስዑዲ ዓረብ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ባሕሬይንን ግብጽን ኣብ 2017 እየን ምስ ቐጠር ንግብረሽበራ ትሕግዝ እያ ብዝብል ምስኣ ዝነበረን ርክብ በቲኸን። ብነዳዲ ኣዝያ ሃብታም ዝኾነት ንእሽቶ ሃገር ቐጠር ግና ነቲ ክስታት ትነጽጎ፤ ነቲ ከፊላዊ እገዳ ንምልዓል ዝተነብረ፡ ንመደበር ዜና ኣልጀዚራ ምዕጻው ዝብል ቅድመ ኩነታት ድማ ኣይተቐበለቶን። ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ ሸምገልቲ ኩዌትን ኣሜሪካን ነቲ ኩነታት መዕለቢ ንምርካብ ተበግሶታት ወሲዶም እዮም። ወራሲ ዓራት ስዑዲ ዓረብ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ መኽፈቲ እቲ ርክብ ኣብ ዘስምዖ መደረ \"እቶም ጻዕርታት ኣብ ስምምዕ ኣል-ዑላ ንዝኸተሙ ነጥብታት ኣብ ምርድዳእ ክንበጽሕ ሓጊዞምና እዮም። ነቲ ናይ ወሽመጥ፡ ናይ ዓረብን እስላማውን ስምረትና ክነትርሮ ኢና\" ኢሉ። ንሱ ወሲኹ፡ \"ሎሚ ንጻዕርታትና ብምሕባር ንብድሆታትና ገጢምና ንዞባና ክነሰጉም ዘገድድ ኩነት ኣሎ፤ ብፍላይ ድማ እቲ ብወገን ኢራን ተዋዲዱ ዘሎ ስግኣት ናይ ኒኩሌራውን ባሊስቲካውን ናይ ሚሳይል ፕሮግራማትን ናይ ዕንወትን ውጥናቱን\" ኢሉ። ጠንቂ እቲ ምስሕሓብ እንታይ እዩ ነይሩ? ኣብ ሰነ 2017 ስዑዲ ዓረብ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ባሕሬይንን ግብጽን ምስ ቐጠር ዝጸንሐን ኩሉ ዲፕሎማስያውን ንግዳውን ርክባት በቲኸን። ሓውሲ ደሴት ዝኾነት ቐጠር ብምድሪ ምስ ስዑዲ ዓረብ ጥራሕ እያ እትዳወብ፡ ንሱ ድማ ተዓጽዩ፤ ናይ ቐጠር ባንዴራ ዘንበልብላ ወይ'ውን ንቐጠር ዘገልግላ መራኽብ ኣብ ብዙሕ ወደባት ከይጽግዓ ተኣጊደን። ብዙሕ ክሊ ኣየራት'ውን ንነፈርቲ ቐጠር ተኸልኪሉ። ተንታኒ ፖለቲካ ምብራቕ ኣፍሪካን ማእከላይ ምብራቕን ኤርትራዊ ኣብዱራህማን ሰይድ ቀንዲ ዘሰሓሓበን ሰለስተ ነጥብታት ምንባሩ የረድእ። \"ማእከን ናይ ዜና ናይ ኣልጀዚራ ፍኑው፡ ነጻ ዝኾነ ኣቐራርባ ስለ ዝነበሮ፡ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ዓቃባዊ ዝበሃል መሪሕነታት የሻቕሎም ነይሩ፤ ካልኣይ ብፍላይ ኣብ ግብጺ ምስ ዝነጥፍ 'እስላማዊ ሕውነት' ምስ ዝበሃል ኣብ ግብጽን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ከም ጸላኢ ዝቁጸር ምንቅስቓስ ምትእስሳር ከም ዘለዎምን ነቲ ርክብ ከቋርጽዎን ጠለብ ነይሩ። \"እቲ ሳልሳይ ከኣ ኣብ መንጎ ቐጠር ምስ ኢራንን ቱርክን ነጻ ዝኾነ ርክብ እዩ ነይርዋ፤ እተን ተጻባእቲ ናይ ቐጠር ከኣ ምስ እዘን ክልተ ሃገራት [ኢራንን ቱርክን] ናይ ምትፍናን ነገራት ነይሩ። ስለዚ ቐጠር ኣብቲ ከባቢ ናይ በይና ዝኾነ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ክትኽተል ሕጉሳት ኣይነበሩን\" ይብል። ብዘይካ'ዚ ምምሕዳር ትራምፕ'ውን ኣብቲ ኩነታት ኢድ ከም ዝነበሮ ይዛረብ ኣብዱራሕማን። እተን ሃገራት ነቲ እገዳ ከልዕልኦ እንተኾይነን ቐጠር 13 ቅድመ ኩነታት ክተማልእ ድማ ጠሊበን። ኣብቲ ዝተቐመጠ ቅድመ ኩነት፡ ምዕጻው መደበር ዜና ኣልጀዚራ፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምስ ኢራን ምብታኽ፡ ምዕጻው ኣብ ቐጠር ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ቱርኪ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ካልኦት ሃገራት \"ጣልቃ ምእታው\" ክተቋርጽ ዝብል ይርከብዎ። ቐጠር ግና ንሉኣላውነታ ኣሕሊፋ ከም ዘይትህብን እቲ እገዳ'ውን ንኣህጉራዊ ሕጊ ዝጠሓሰ ምዃኑ ብምግላጽ ነቲ ጠለብ ነጺጋቶ። ምስ ኢራንን ቱርክን ሓድሽ ንግዳዊ መስመራት ብምምስራት መሰረታዊ ጠለባት 2.7 ሚልዮን ህዝባ ከም ዝረጋገጽ ገበረት። ካብቲ ሽዱሽተ ኣባል ሃገራት ዘለዎ ቤትምኽሪ ምትሕብባር ወሽመጥ፡ ምስ ቐጠር ርክበን ዘይበተኻ ኩዌትን ኦማንን ጥራሕ እየን። ኩዌት ነቲ ምስሕሓብ ንምእላይ ናይ ሽምግልና ጻዕርታት ተካይድ ነይራ። እቲ ዕርቂ ብኸመይ መጺኡ? ኣብ ፈለማ እቲ ምስሕሓብ፡ ወላ'ኳ ቐጠር ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝዓበየ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣሜሪካ ዝተደኮነላ ሃገር እንተኾነት፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ብዝኾነ መገዲ ምስ ስዑዲ ዓረብን ተሓባበርታን እዩ ወጊኑ፤ ንቐጠር ድማ \"ንግብረ ሽበራ ትምውል'ያ\" ብምባል ኮኒንዋ። ኣማኸርቱ ግና ኣብቲ ጉዳይ ዘይሻራዊ መርገጺ ክህልዎ ኣእሚኖምዎ፤ በዚ ድማ ኣብ 2018 ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ኣሚር ቐጠር ሼኽ ታሚም ኣንጻር ምወላ ግብረሽበራ ንዝሰርሖ ስራሓት ንኢድዎ። ጻዕርታት ሽምግልና ኩዌት፡ ክሳዕ'ቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ክልቲኦም ወገናት ናብ ምቕርራብ ከምጽኡ ጸቕጢ ዝገበረሉ፡ ዝሓለፈ ዓመት ብዙሕ ኣይሰጎመን ነይሩ። ሰብኣይ ጓል ፕረዚደንት ትራምፕን ላዕለዋይ ኣማኻርን ጃሬድ ኩሽነር ኣብ ታሕሳስ ናብ ስዑዲ ዓረብን ቐጠርን ምብጻሕ ኣካዪዱ ነይሩ፤ ብሰኑይ ድማ ኣብቲ ምኽታም ስምምዕ ንኽሳተፍ ናብ ኣል-ዑላ ኣምሪሑ ምህላው ይግለጽ። እቲ ስምምዕ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዝህልዎ ጽልዋ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንትን ቐጠርን ተኸሲቱ ዝጸንሐ ምስሕሓብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ሓዲኡ ክጽግኣ ክግደዳ ከም ዝጸንሓ ብምግላጽ፡ ብፍላይ ነተን ዘይሻራዊ መርገጺ ዝጸንሐን ከም ሶማል ዝኣመሰላ ሃገራት እፎይታ ዝፈጥር ምዃኑ ኣብዱራሕማን ሰይድ የረድእ። \"ብሰንኪ እዚ መርገጺ ማእከላይ መንግስቲ ሶማልያ፡ እተን ልፍንትታት ነቲ መንግስቲ ዕሽሽ ብምባል ብቐጥታ ምስ ሶማሊ ላንድ ቀጥታዊ ርክብ ክገብራ ጀሚረን ነይረን\" ኢሉ። ኤርትራ ግና ካብ ፈለማ ናብቲ ልፍንቲ ወጊና ብምንባራ ንቐጠር ኣቐዲማ ከም ዝኸሰረታ'ውን ይገልጽ ኣብዱራሕማን። ንሱ ወሲኹ እቲ ናይ የመን ሕቶ ብሰላማዊ መገዲ ፍታሕ እንተረኺቡ ንጸጥታ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ዝሕግዝ ከም ዝኸውን ይዛረብ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55556282"} {"headline":"ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ 2020 ቅልጡፍ ምንቁልቋል ቅንጸላ ተራእዩ","content":"መንግስታዊ ትካላት ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ 2020 ኣብታ ሃገር ቅልጡፍ ምንቁልቋል ቅንጸላ ከምዝተራእየ ሓቢሮም። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ስዑዲ ዓረብ ኣብ 2020 ብሞት ዝተቐጽዑ 27 ሰባት ከም ዝነበሩ ሰኒዳ ኣላ። እቲ ቅንጸላ ምስ ናይ 2019 ክነጻጸር ከሎ ብ85% ከምጎደለ ተሓቢሩ። \"ነቶም ዓመጸኛታት ዘይኰኑ ገበነኛታት ካልኣይ ዕድል ንምሃብ\" ብዝብል እቲ ቅንጸላ ኣብቶም ምስ ሓሽሽ እተተሓሓዘ ገበን ዘለዎም እዩ ዝካየድ። እቲ ጕጅለ ወፈራ ምንካይ ቅንጸላ፡ ኣብዚ ዓመት እዚ እቲ ቝጽሪ ብሞት ዝቕጽዑ ሰባት ክውስኽ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ ኣሎ። \"እቲ ምንቁልቋል ቅንጸላ ብኸፊል ብኮቪድ-19 ብዝሰዓበ ዕጽዋን ድሩት ንጥፈታት መንግስትን ክኸውን ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ፡ ኣብቲ ዝርገሐ ኮቪድ ንምቁጽጻር ካብ ለካቲት ክሳብ ሚያዚያ ዝተነብረ ቀይድታት መንግስቲ ዝኾነ ናይ ቅንጸላ ስጉምቲ ኣይወሰደን\" ኢሉ ። መንግስቲ፡ ንኹሉ እቲ ቅንጸላ ኣብ መወዳእታ ርብዒ ዓመት 2020 እዩ ተግቢሩዎ። እዚ ከኣ ዳርጋ ሓደ ሲሶ ካብ ኵሉ እቲ ዓሚ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ጥራይ እተፈጸመ ቅንጸላ እዩ። ብመሰረት ጸብጻብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ስዑዲ-ዓረብ ኣብ 2019 ን46 ሰባት ብሞት ቀጺዓ። ዳርጋ ፍርቂ ካብቶም ዝተሰየፉ ዜጋታት ወጻኢ ሃገር ክዀኑ ከለዉ፡ እተን ሽዱሽተ ከኣ ደቂ ኣንስትዮ እየን። ኣብ መስርሕ ፍርዲ በደላት ንዘጋጥሞም ግዳያት ዝከታተሉ ዘይመንግስታውን ዘይመኽሰባውን ጉጅለ፣ ኣህጉራውያን ጠበቓታትን መርመርትን ከምኡ እውን ኣውሮጳ-ስዑድያን ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ትካል ምድንጓይ ቅንጸላ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃታት ናይ ሞት ፍርዲ ከጋጥሞም ንዝኽእል ኣስታት 80 ዝኾኑ ሰባት ጉዳያት ይከታተሉ ኣለው። ብዙሓት ሰባት፡ ምስ ሰብኣዊ መሰላት ዝተሓሓዝ ገበናት ቅትለት ኣጋጢምዎም እዩ። ብዙሓት ካልኦት እውን ኣብ መስርሕ ቤት ፍርዲ ርኡይ ምግሃስ መሰል ዘጋጠሞም ከምዘለዉ እቲ ኣብ መስርሕ ፍርዲ በደላት ንዘጋጥሞም ግዳያት ዝከታተል ዘይመንግስታውን ዘይመኽሰባውን ጉጅለ ኣህጉራውያን ጠበቓታትን መርመርትን ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ፡ተጣባቒት መሰላት ስዑዲ ዓረብ፡ እቶም ትሕቲ ዕድመ እንከለው ብዝፈጸሙዎ ገበናት ብሞት ዝቐጽዕ ንጉሳዊ ኣዋጅ ተመሓይሹ፡ እቶም ሰባት ኣብ ክንዲ ብሞት ዝቕጽዑ እንተበዝሐ ን10 ዓመት ክእሰሩ ከም ዘለዎም ዝገልጽ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ከም ዘውጽአ ጠቒሳ። ይኹን እምበር እቲ ኣዋጅ ኣብ ወግዓዊ ጋዜጣታት ኣይተሓትመን፤ እቶም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ድማ ሓሙሽተ መንእሰያት ገበነኛታት ኣብ መስርዕ ሞት ከም ዘለዉ ሓቢሮም። እቲ ቤት ማእሰርቲ፡ ዓሊ-ኒምርን ዳዉድ ኣል-ማርሁን ዓብደላ ኣል-ዛሄርን ዝበሃሉ ካብ 15 ክሳብ 17 ዓመት ዝዕድሚኦም፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ውሑዳን ሰዓብቲ እምነት ሺዓ ዝዀኑ፡ ኣንጻር መንግስቲ ብዝቐንዐ ተቓውሞታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንዝኣተዉ የጠቓልል። ኣቦ መንበር ጉጅለ ኣህጉራውያን ጠበቓታትን መርመርትን \"ስዑዲ ዓረብ ብደረጃ ዓለም ዘለዋ ምስሊ ንምጽራይ ካብ ዘለዋ ባህጊ ዝድረኽ ርኡይ ዕቤት እኳ ትገብር እንተሃለወት እቲ ኣብ መንጎ ህዝባዊ ርክባትን ሕጋዊ ለውጢን ዘሎ ጋግ ግና ሓደገኛ እዩ\" ክብል ተዛሪቡ። ምክትል ዳይረክተር ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣዳም ኮግለስ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ስዑዲ \"ነቶም ከም ሳልማን ኣል-ኦደህን ሓሰን ፋርሃን ኣል-ማሊኪን ዝኣመሰሉ ስሙያት እሱራት፡ ብዘይካ ሰላማዊ ኣተሓሳስባኦምን ፖለቲካዊ ዝምድናታቶምን ካልእ በደል ዘይብሎም ሰባት ናይ ብሞት ክቕጽዑ ይደልዩዎም ከም ዘለዉ\" ይገልጽ። እዞም ክልተ ናይ ለውጢ ሃይማኖተኛታት፡ ኣብ 2017 እዮም ምስ ብዙሓት ምሁራት፣ ተጣበቕቲ መሰል ደቂ ኣንስትዮን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ከም ተቓወምቲ ተራእዮም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55729057"} {"headline":"‘ሓድሽ ምዕራፍ’- ምብጻሕ እስራኤላዊ በዓል ስልጣን ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ","content":"ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ዬር ላፒድ ሎሚ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝገብሮ ጉዕዞ ሓድሽ ምዕራፍ ምሕዝነት ሃገሩን ሃገሩን ሃገራት ኣዕራብን ክኸውን እዩ፡፡ ቅድሚ ትሸዓተ ኣዋርሕ ሃገራት እስራኤል፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ባሕሬንን ርክባተን ናብ ንቡር ንምምለስ ካብ ዝሰማማዓ ንደሓር ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ላፒድ ናብታ ኣብ ወሽመጥ ባሕሪ እትርከብ ሃገር ዕላዊ ምብጻሕ ዝገበረ ፈላማይ በዓል ስልጣን እስራኤል እዩ። ኣብቲ ንክልተ መዓልታት ዝጸንሕ ዑደት ምስ መዘንኡ ሸኽ ዓብዱላህ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ዝራኸብ ኮይኑ፡ ኣብ ኣቡዳቢ ዝርከብ ኤምባሲ እስራኤልን ኣብ ዱባይ ዝርከብ ቆንስላን መሪቑ ክኸፍት እዩ። እቲ ምብጻሕ ብዝህልዎ ትእምርታዊ ረብሓ ጥራሕ ዘይኮነስ ክልቲአን ሃገራት ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ጉንበት ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ዝተፈጠረ ጎንጺ ዘካይደኦ ፈላማይ ዕላዊ ርክብ እዩ፡፡ በቲ ጎንጺ ኣብ ጋዛ 256 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝገለጸ ኮይኑ ኣብ እስራኤል ድማ 13 ሰባት ሞይቶም። መራሕቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ እስራኤል እቲ ወሪራ ዝሓዘቶ ከባቢታ ዌስት ባንክ ናብ ባዕላ ከይትወስዶ ጸቕጢ ንፍጣር ዕድል ክህቦም ከም ዝኽእል ኣሚኖም ነቲ ርክብ ናብ ንቡር ናይ ምምላስ ውዕል ስለ ዝፈረሙ እቲ 11 መዓልቲታት ዝወሰደ ጎንጺ፡ ፈላማይ ፈተና እቲ ሓድሽ ርክብ ኮይኑ ነይሩ። እታ ሃገር ዋላ'ኳ ንስጉምቲታ እስራኤል ኮኒና እንተነበረት፡ ኣብ እዋን እቲ ጎንጺ ግን እዚ ዝበሃል ዲፕማስያዊ ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣይፈጠረትን። ዜጋታታ ድማ ንእስራኤል ብምኹናን ኣብ ጎኒ ፍልስጤማውያን ደው ከም ዝብሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ወፍሪ የካይዱ ነይሮም። እንተኾነ ዑደት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ላፒድ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ማዕበል ከም ዘዘሓሓለኦ ዘመልክት እዩ ይብል ተቐማጥነቱ ኣብ ዱበይ ዝገበረ ተንታኒ ፖለቲካ ዓብዱልካለቅ ዓብዱላህ። ‘‘ክልተኣዊ ርክበን ፈላማይ ፈተንኡ ሓሊፉ እዩ፤ ንድሕሪት ከም ዘይምለስ ከኣ የመልክት’’ ይብል፡፡ ‘‘ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክልተ መገዲታት እያ ተተኣታቱ ዘላ፤ ቀዳማይ መገዲ ርክብ ናብ ንቡር ምምላስ ክኾን ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ፍልስጤማውያን ናይ ባዕሎም ሃገር ናይ ምውናን መሰሎም ምሕጋዝ እዩ\" ኢሉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክልቲአን ሃገራት ርክበን ንምምሕያሽ እንትውስና ዝተፈላለየ ዕላማታት ሒዘን እየን ነይረን፡፡ እታ ዓረባዊት ሃገር ቀዳማይ ድልየታ ጉዳይ ድሕነት ዝነበረ ኮይኑ እስራኤል ድማ ቁጠባዊ ምትሕብባርን በታ ዓረባዊት ሃገር ተቐባልነት ምርካብን ነይሮም፡፡ እቲ ኣብርሃም ኣኮርድ ተባሂሉ ዝፍለጥ ውዕል ምስ ተፈረመ ድማ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ምምሕዳር ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ መሸጣ 50 ኤፍ-35 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣጽዲቑ፡፡ እዚ ድማ ወታሃደራዊ ዓቕማ ዘጠናኽር ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብቲ ዞባ ስትራተጂካዊ ጸብለልታ ክትረክብ ዘኽእላ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ድሕሪ ምፍጻም እቲ ውዕል ክልቲአን ሃገራት ቁጠባዊ ምትሕብባረን ዓምቢቡን ብዙሓት ስምምዓት ንግዲ ተፈራሪመንን እየን፡፡","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57650436"} {"headline":"ካብ ዘስካሕክሕ ማእሰርቲ ስዑዲ ዝተመለሱ ስደተኛታት ከመይ ኣለዉ?","content":"ጓል 39 ዓመት ዘውድነሽ በቀለ፡ ኣብ ጽባሕ 2013 ዓመት ኢትዮጵያ፡ ካብቶም ካብ ስዑዲ ናብ ኢትዮጵያ ዝተመለሱ 147 ህጻናትን ደቂ-ኣንስትዮን ስደተኛታት ሓንቲ እያ። ካብቶም ብኣሸሓት ዝቑጸሩ፡ ኣብ ዘስካሕክሕ ቤት ማእሰርትታት ስዑዲ ዘለዉ ስደተኛታት፡ ንሳን ካልኦት ውሑዳትን ንዓዶም ክምለሱ ምኽኣሎም ከም “ዕድል” እያ ትቖጽሮ። ሓጎሳ ክትቆጸጸር ከምዘይከኣለት’ውን እያ ትዛረብ። ከም ባህጋ ዋላ’ኳ ገንዘብ ኣይተዋህልል፡ ከም’ቲ ዝሓሰበቶ ዋላ’ኳ ንድኽነት ኣይትስዓር፤ ዋላ’ውን ጥራይ ኢዳ ንዓዳ ምምላሳ ክትሕሰስ ዝገበራ፡ ኣብ ማእሰርቲ ዘሕለፈቶ ናይ ሽድሽተ ወርሒ ጸበባ እዩ። “ኣምላኽ ይመስገን መሬት ዓደይ ረጊጸ፡ ንደቀይ’ውን ብህይወት ተመሊሰሎም” ትብል ሕንቕንቕ እናበለት። ኣብ’ቲ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ዝተዳጎንሉ ቤት-ማእሰርቲ “ብዙሓት ሓሚመን፡ ብዙሓት ተጸሊለን። ስነልቦናዊ ጸቕጢ ዝበጽሐን ኣለዋ። ብዘይሕጋዊ መገዲ፡ ዘይሕጋውያን ደላሎ እናወሰዱወን” ትብል። ዘውድነሽ፡ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ብሕጋዊ መገዲ እያ ናብ ስዑዲ ከይዳ። ኣብ’ዙ ዝነበራ ጻንሒት ግን ከምዝቶ ዘተስፈወቶ ርሁው ኣይነበረን። ካብ ብኣግኡ ጸገም ቋንቋ ኣጋጢሙዋ፤ ምስ ኣስራሕታ ክትረዳዳእ ኣይከኣለትን፡ ብገንኡ እያ ክትብደል ጀሚራ። ናይ ስራሕ ፍቓዳ ምስወደቐ’ውን ኣብ ስዑዲ ክትጸንሕ ዝመረጸት ዘውድነሽ ብዙሕ ጸገም እዩ ኣጋጢሙዋ። “ንእሽቶ ቆልዓ ኣብ ሰለፈይ ብኻራ ወጊኡኒ” ትብል። ኣብ መፋርቕ እቲ ዝሓለፈ ዓመት ድማ፡ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ተኻርየን ናብ ዝነብራሉ ገዛ ሓይልታት ጸጥታ ስዑዲ ብሃንደበት መጹወን። “ነብሰይ ተሓጺበ፡ ፒጃማ እየ ተኸዲነ ነይረ። ቅያር ክዳን እኳ ዘይሓዝኩ ሓፊሶም ወሲዶምና” ትብል። ኣብ’ቲ ዘውድነሽ ዝነበረትሉ ቤት ማእሰርቲ፡ ብዙሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸም ምንባሩ፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት’ውን ገሊጾምዎ እዮም። መውቃዕቲ፡ ብሰንሰለት ምእሳር፡ ልዕሊ ዓቐን ምጽቕቓጥ ነይሩ። ዘውድነሽ ከምእትብሎ፡ እኹል ኣገልግሎት ሕክምና’ውን ኣይነበረን፤ ሕክምና ስኢና ዝሞተት ሓንቲ ስደተኛ ምንባራ’ውን ትዝክር። ስለ’ዚ ድማ እያ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ነፋሪት ምስተሳፈረት ሓጎሳ ልዕሊ ዓቐን ዝኾነ። ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስተመለሰት ድማ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ን 11 መዓልታት ኣብ ሓደ ዩንቨርሲቲ ክትውሸብ ግድን ነይሩ። ካብ’ቲ መወሸቢ ማእከል ምስወጸት፡ ንመጓዓዝያ ብር 250 ተዋሂብዋ እያ ተፋንያ። ድሕሪ ሓደ ወርሒ፡ ሕዚ’ውን ዘውድነሽ ድጋፍ ትጠልብ ኣላ። ስራሕ ክትረክብ ኣይከኣለትን። ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ እንዳ ኣዲኣ እያ ትነብር ዘላ። ምምሕዳር ናይ’ቲ እትነብረሉ ከባቢ፡ ሓገዝ ክግበረላ ምዃኑ’ኳ እንተሓበረላ፡ ዛጊድ ግን ዝጸወዓ ሰብ የለን። ናይ ባንኪ ሕሳብ ቁጽራ ክትህብ ተሓቲታ፤ ሂባ ነይራ። ሚኒስተር ድኤታ ጉዳያት ወጻኢ ፅዮን ተክሉ፡ ካብ ስደት ንዝተመለሱ ስደተኛታት ዝግበር ደገፍ ካብ እዋን ናብ እዋን እናተመሓየሸ እዩ መጺኡ በሃሊት እያ። “ብዛዕባ ስዑዲ ዓረብ እንተልዒልና፡ ካብ ጉንበት 2017 ኣትሒዙ ክሳብ መጋቢት 2020፡ ኣስታት 400 ሽሕ ስደተኛታት መሊስና ኢና” ትብል። እዚ ማለት ግን፡ እቶም ዝተመሉ ስደተኛታት ብቑጽሪ 400 ሽሕ እዮም ማለት ከምዘይኮነ ትገልጽ’ሞ “ሓሙሽተ ሻብ፡ ዓሰርተ ሻብ እናተመለሰ ዝተጉዓዘ ሰብ ትረክብ” ትብል። እቶም ስደተኛታት ምስተመለሱ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ “ማእከላይ ናይ ስነ-ልቦና ሕክምና ይግበረሎም እዩ” ትብል። ብዙሓት ስደተኛታት ምስ ስምብራቶም ከምዝነብሩ ኣብነት ክትከውን እትኽእል ገነት ታደለ እያ። ገነት ንኣስታት 11 ዓመት እያ ኣብ ስዑዲ ጸኒሓ። እተን ናይ መወዳእታ ሰለስተ ኣዋርሕ ድማ “ኣብ ዘስካሕክሕ ማእሰርቲ” እያ ኣሕሊፋተን። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝሓመመት ትዛረብ። “እግረይ ጨቢጡ ሒዙኒ’ሎ። ሕዚ ድማ ቆራር እዋን ስለዝኾነ” ትብል ካብ ስዑዲ ዓረብ ምስተመለሰት፡ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ንቢቢሲ ክትዛረብ እንከላ። “እንኽደኖ ኣይነበረናን። ሓንቲ ኮበርታ ነይራ፤ ኣብ ስሚንቶ ኣብ ባይታ ኢና ንድቅስ ነይርና” ክትብል ኣብ’ቲ ቤት ማእሰርቲ ንዝነበረ ኩነታት ትገልጽ። ኣብ’ቲ ቤት ማእሰርቲ ኣስታት ዓሰርተ ክፍልታት ከምዝነበረ ትዝክር፤ ኣብ ሓደ ክፍሊ ኣስታት 60 ዝኾኑ ህጻናት ከምዝነበሩ እያ ትዛረብ። “ኣብ’ቲ ኣነ ዝነበርኩሉ ክፍሊ፡ ዓሰርተ ክልተ ህጻናት ነይሮም” ትብል። ምስተመለሰት ናብ ሕክምና እኳ እንተተመላለሰት፡ መሊኣ ግን ኣይሓወየትን። ገነት’ውን ከም መሓዛኣ ዘውድነሽ ካብ ማእከል መወሸቢ ንእሽቶ ቅርሺ ተዋሂባ ከምዝተፋነወት እያ ንቢቢሲ ገሊጻ። ድሕሪኡ ግን፡ መጽበዓ እምበር ብጭቡጥ ዝረኸበቶ ሓገዝ ከምዘየለ ትገልጽ። ዘውድነሽን ገነትን ተመሊሰን ንድደት ክኸዳ ኣይሓስባን፤ እኳ ደኣስ ሓገዝ ገንዘብ ወይ’ውን ናይ ሞያ ስልጠና ክወሃበን የተስፍዋ። ብዛዕባ መጻኢ ህይወተን ዝፈልጠኦ የብለንን፤ ብውሕዱ ግን ካብ’ቲ ዘስካሕክሕ ናይ ማእሰርቲ ህይወት ተናጊፈን፡ ኣብ እንዳ ወለደን ኣጽሊለን፡ ንግዚኡ ሩፍታ ረኺበን ኣለወን።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54688534"} {"headline":"ስደት፡ ኢትዮጵያውያን ከምዝኾኑ ዝግመት 8 ስደተኛታት ኣብ ጥቓ ገምገም ባሕሪ ጂቡቲ ሞይቶም","content":"ኣብ ገምገም ባሕሪ ጂቡቲ፡ ኢትዮጵያውያን ከምዝኾኑ ዝግመት 8 ስደተኛታት ከምዝሞቱን 12 ከምዝጠፍኡን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ሰምሰርቲ (ኣስገርቲ ስደተኛታት) ነቶም ስደተኛታት ኣብ ጥቃ ገምገም ባሕሪ ጂቡቲ ካብ ጀልባ ኣገዲዶም ከውርድዎም ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን እቲ ሞትን ምጥፋእን ከምዘጋጠመ እቲ ትካል ሓቢሩ'ሎ። ኣብታ ጀልባ ዝነበሩ ልዕሊ 30 ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን ከምዝኾኑ ይግመት። ካብታ ኣብ ቅልውላው ዘላን ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ከቢድ ፈተናታት ዘሕልፉላን የመን ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምምላስ ኣብ ጉዕዞ ከምዝነበሩ ድማ ተፈሊጡ። ወሃቢ ቓል ዓለም ለኸ ትካል ስደተኛታት ከምዝሓበሮ ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉ ካልኦት 14 ስደተኛታት ኣብ የመን ሓገዝ ሕክምና ይረኽቡ ኣለዉ። ኣብ የመን ኣስታት 14,000 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት መውጽኢ ስኢኖም ከምዝርከቡ ይግለጽ። ስዑዲ ነቶም ስደተኛታት ንለብዒ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ብዝብል ከምእትሰጎምን ናብ የመን ከምዝምለሱን ጸብጻበት የመልክቱ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54414890"} {"headline":"ኣከባቢ: ኤርትራ ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝተወጠነ 'ሓምላይ ተበግሶ' ከምዝተጸንበረቶ ገሊጻ","content":"ኤርትራ፡ ነቲ ስዑዲ ዓረብ ዘበገሰቶ 'ግሪኒንን ኢንሸቲቭ' ብዝብል ስም ዝፍለጥ ሓምላይ ተበግሶ ንኽትጽንበሮ ዝቐረበላ ዕድመ ከምዝተቐበለቶ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ልኡል ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማንን ትማሊ ነቲ ፕሮጀክት ኣመልኪቶም ብተሌፎን ድሕሪ ዝገበርዎ ዘተ ኤርትራ ኣብቲ መደብ ክትሳተፍ ድልውነታ ምግላጻ ሚኒስተር የማነ ጠቒሱ። ንምዃኑ እዚ ስዑድያ ዝጀመረቶ ሓምላይ ተበግሶ እንታይ እዩ? እቲ መደብ ካብ ዝሓቖፎም መደባት ምጉዳል ልቀት ካርቦንን ዓቢ ናይ ምግራብ መደባትን ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ልኡል ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ንመራሕቲ ቐጠር፡ ኵዌት፡ ባሕረይን፡ ኢራቕን ሱዳንን ኣብቲ ዞባዊ ምትካል ኣግራብ ክሳተፉ ዕድመ ከምዘቕረበሎም ንመንግስታዊ ትካል ፕረስ እታ ሃገር ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ። \"እዚ ንማእከላይ ምብራቕ ዝሓቁፍ ፕሮጀክት ግሪኒንግ ኢንሸቲቭ፡ ነተን ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ኩለን ሃገራት ንምስታፍ ዕላማ ዝገበረ ኮይኑ፡ 50 ቢልዮን ፈልስታት ንምትካል እዩ ወጢኑ ዘሎ፡ እዚ ኸኣ ካብ ዓለም ዝበዝሐ ምትካል ፈልሲ እዩ\" ይብል እቲ መግስታዊ ኣገልግሎት ዜና። ልኡል ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ሃገሩ ንበይና 10 ቢልዮን ፈልሲ ንምትካል ተበጊሳ ከምዘላ ብምሕባር፡ እተን ዝተረፋ ሃገራት ነቲ ዝተረፈ 40 ቢልዮን ፈልስታት ተኺለን ብከላ ኣየር ኣብ ምጉዳል፡ ንመሬት ካብ ፍግረ መሬት ኣብ ምክልኻልን ልቀት ካርቦን ኣብ ምጉዳልን እጃመን ከበርክታ ጸዊዑ ኣሎ። እቲ መንግስታዊ ትካል ፕረስ (ኤስፒኤ) ከምዝበሎ: ጎኒ ጎኒ ምትካል ኣግራብ፡ ተተካኢ ጽዓት ምትእትታውን ምስፋሕን'ውን ኣካል እዚ ተሓንጺጹ ዘሎ ሓምላይ ተበግሶ እዩ።እዚ መደብ ኣካል ናይቲ ልኡል ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ዝሓንጸጾ ራእይ 2030 ኮይኑ፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ነዳዲ ዝተሞርኮሰ ቁጠባኣ ንምቕያርን፡ ናብራ ሰባት ንምምሕያሽን ኢላ ዝተለመቶ ከምዝኾነ እዩ ዝእመን። እታ ብሰደድ ነዳዲ ሓንቲ ካብተን ኣብ ቅድሚት ዝስራዓ ሃገራት ዝኾነት ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፡ ካብ ትማሊ ቀዳም ጀሚራ ነቲ ጎስጓስ ምትካል ኣግራብ ጀሚራቶ ኣላ። እንተኾነ፡ ኣብታ ዝበዝሐ ክፋል መሬታ ምድረ በዳ ዝኾነን ዋሕዲ ትሕተ ባይታኣዊ ማይ ዘለዋን ሃገር፡ እቲ መደብ ብኸመይ'ዩ ክትግበር ንዝብል ሕቶ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣይተውሃበን ዘሎ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56573843"} {"headline":"ሕጽይቲ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ፡ ንወራሲ ዙፋን ልኡል ስዑዲ ዓረብ ከሲሳ","content":"ሕጽይቲ ናይ'ቲ ብዘስካሕኽሕ መገዲ ዝተቐትለ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ‘ነቲ ቅትለት ክፍጸም ኣዚዙ እዩ’ ኣብ ልዕሊ ዝበለቶ ልኡል ወራሲ ዓራት ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ክሲ መስሪታ። ካሾጊ ኣብ ኣመሪካ ዝነብርን ፍሉጥ ነቓፊ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብን ዝነበረ ኮይኑ፡ ብዙሕ ጊዜ ንዋሺንግተን ፖሰት ይጽሕፍ ነይሩ። ሕጽይቲ ናይ'ቲ ግዳይ ዝኾነት ሃቲች ቼንጊዝ፡ ከምኡ’ውን ካሾጊ ቅድሚ ምሟቱ ዘቖሞ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ንልኡል እታ ሃገር ሞሓመድ ቢን ሰልማንን ካልኦት 20 ሰበ ስልጣን ናይ'ታ ሃገርን ከሲሶም። እቲ ወራሲ ዓራት ግን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ስሙይ ጋዜጠኛ ናይ ቅትለት ትእዛዝ ኣየመሓላለፍኩን እዩ ዝብል። ካሾጊ ኣብ 2018፡ ኣብ ከተማ ኢስታንቡል ቱርኪ ኣብ ዝርከብ ኢምባሲ ስዑዲ ዓረብ ጉዳይ ከፈጽም ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ብዘስካሕኽሕ መገዲ ከም ዝተቐትለ ዝዝከር እዩ። እቲ ክሲ እንታይ እዩ ዝብል? እቲ ብሃቲች ቼንጊዝ ትማሊ ሰሉስ ዝተኸፍተ ክሲ ነቲ ዘጋጠመ ሰብኣዊን ገንዘባዊን ጉድኣት ካሕሳ ዝሓትትን፡ ገበነኛታት ናይ ኢዶም ክረኽቡ ዝጠልብን እዩ። ‘ዲሞክራሲ ፎር ዘ ኣረብ ዎርልድ ናው’ ብዝብል ዝፍለጥ፡ ካሾጊ ብህይወት እንተሎ ዘቖሞ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ስርሑ ጠጠው ኢሉ ኣሎ ኢላ። እቲ ክሲ፡ እቲ ቅትለት ብልኡል ስዑዲ ዓረብ ላዕለዋይ ትእዛዝ ከምዝተፈጸመ እዩ ዝገልጽ። “ናይቲ ቅትለት ዕላማ ግልጺ እዩ ነይሩ። ካሾጊ ኣብ ኣመሪካ ኾይኑ ኣብ ዓረብ ዓለም ዲሞክራሲ ክዓስል ዝገብሮ ዝነበረ ቃልሲ ንምዕንቃፍ እዩ” ይብል እቲ ክሲ። ዋሺንግተን ፖስት ከም ዝጸብጸቦ፡ ጠበቓታት ናይ'ታ ሕጽይቱን እቲ ትካል ተጣበቒ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ናይዚ ክሲ ትኹረት፡ እቲ ልኡል ኣብ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ቀሪቡ ክሕተትን ብዛዕባ እቲ ቅትለት ዘረድኡ ዝተሰወሩ ሰነዳትን ክርከቡን ዘኽእል እዩ። ሃቲች ቼንጊዝ “ጀማል ካሾጊ ኣብ ኣመሪካ ዘይከኣል ነገር የለን ኢሉ ይኣምን ነይሩ። ኣነ ድማ ኣብ ናይ ኣመሪካ ስርዓት ፍትሒ ሙሉእ እምነት ኣለኒ” ኢላ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ። ጀማል ኮሺጊ መን'ዩ ነይሩ? እቲ ኣብ ስደት ዝነብርን ንልኡል ሙሓመድ ቢን ሳልማን ዝነቅፍ ዝነበረን ካሾጊ፡ ቅድሚ ምቕታሉ ንጋዜጣ ዋሽንግቶን ፖስት ዓንቀጻት ዝጽሕፍ ዝነበረ’ዩ። ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ኣል-ወጠን ዝነበረን፡ ንዓመታት ምስ'ቲ ንጉሳዊ ቤተ ሰብ ጥቡቕ ዝምድና ዝነበሮን ካሾጊ፡ ንገለ ሰበ ስልጣናት ስዑዲ ዓረብ ከም ኣማኻሪ ኮይኑ ሰሪሑ ኢዩ። ጸኒሑ ግን፡ ብዙሓት የዕሩኽቱ ከም ዝተኣስሩን፡ ኣብ ጋዜጣ ኣል-ሓያት ዘቕርቦ ዝነበረ ዓምዲ ምስተሰረዘን ኣብ ትዊተር ከይጽሕፍ መጠንቀቕታ ምስተዋህቦን፡ ሃገሩ ገዲፉ ናብ ኣሜሪካ ክስደድ ተገዲዱ’ዩ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54627199"} {"headline":"ስዑድያዊት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ላውጀይን ኣል ሃቱል ልዕሊ ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ክትእሰር ተፈሪዳ","content":"ስዑድያውያን ደቂ ኣንስትዮ መኪና ንኽመርሓ ክፍቀደለን ትካታዕ ዝነበረት ስዑድያዊት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመታት ክትእሰር ተፈሪዳ። ጓል 31 ዓመት ላውጀይን ኣል ሃቱል ካብ ቅድሚ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ጀሚራ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቤት ምእሰርቲ እያ ትርከብ። ንሳን ካልኦት ተጣበቕቲ መሰላትን፡ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ምስ ናይ ግዳም ተጻባእቲ ትካላት ርክብ ኣለወን ብምባል ኣብ 2018 ከምዝኣሰረን ይፍለጥ። ዓለምለኻውያን ትካላት ምእሳር ናይተን ተጣበቕቲ ብምቅዋም ንኽፍተሓ ብተደጋጋሚ ክጽውዑ ጸኒሖም። እንተኾነ፡ ኣብታ ሃገር ንግብረሽበራዊ ገበናት ፍርዲ ክህብ ዝቖመ ፍሉይ ገበናዊ ቤት ፍርዲ፡ ብሰኑይ ኣብ ዝወዓሎ መጋባእያ ፡ንላውጀይን ኣል ሃቱል ንድሕነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ኣእትያ ዝብል ዝርከቦ ክስታት ኣቕሪቡላ። በቲ ዝቐረበላ ክሲ ኸኣ ገበነኛ እያ ብምባል ንሓሙሽተ ዓመትን ሸሞንተ ወርሕን ክትእሰር ፈሪድዋ። ንሳን ስድራ ቤታን ነቲ ዝቐረበሎም ክሲ ነጺገሞ ኣለዉ። ካብዚ ብተወሳኺ ስድራኣ፡ ላውጀይን ኣል ሃቱል ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከላ ትሳቐ ነይራ እያ ኢሎም ንዘቕረብዎ ጥርዓን እቲ ቤት ፍርዲ ነጺግዎ። ላውጀይን ኣል ሃቱል፡ ደቂ ኣንስትዮ ስዑድያ መኪና ባዕለን ክመርሓ ቅድሚ ፍቓድ ምርካበን ኣብ ዝነበረ ሳምንታት እያ ኣብ 2018 ተኣሲራ። ንሳ፡ ካብ ቀንዲ ትፍለጠሉ ዝነበረት ቃልሲ ከኣ ስዑዳውያን ደቂ ኣንስትዮ ባዕለን መኪና ክመርሓ ክፍቀደለን ዝብል እዩ። ሰብ መዚ ስዑድ ዓረብ ግን ምእሳራ ምስቲ ንሳ እተካይዶ ዝነበረት ቃልሲ ምትሕሓዝ ከምዘይብሉ እዮም ዝሕብሩ። ላውጀይን ኣል ሃቱል፡ ምስ ተኣሰረት ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ኣበይ ኣላ ኣብ ዘይትፍለጠሉ ቦታ ተኣሲራ ምነባራን፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ብኤለትሪክ ትሳቐ፡ ብኹርማጅ ትህረምን ጾታዊ መጥቃዕቲ ይብጽሓ ምንባሩን እዮም ስድራኣ ዝሕብሩ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣይተሃረምኩን ኣይተሳቐኹን ኢላ እንተተዛሪባ ነጻ ከምትወጽእ ሕቶ ቀሪብላ ምንባሩ'ውን ስድራ ላውጀይን ኣል ሃቱል ይሕብሩ። ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ምእሳር ናይ ላውጀይን ኣል ሃቱል ዓለምለኻዊ ሕግታት ዘየማለአን ዝጠሓሰን ምዃኑ እዮም ዝማጎቱ። ኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ጉዳይ ላውጀይን ኣል ሃቱል ናብ ፍሉይ ገበናዊ ቤት ፍርዲ ምሕላፉ ብምኹናን \"ንጭካነን ግብዝናን ሰብ መዚ ስዑድ ዓረብ ዘቃልዕ'ዩ\" ኢሉ ነይሩ። ጉዳይ ላውጀይን ኣል ሃቱል፡ ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ዓለም ዝጸነሖ ጽቡቕ ስም ካብ ዝደበነ ሓደ እዩ። መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብታ ሃገር ለውጥታት ከተኣታቱ እየ ብምባል ካብ ዝወሰዶ ሓደ ስጉምቲ፡ ደቂ ኣንስትዮ መኪና ከይዝውራ ዝኸልክል ሕጊ ብምእላይ ስዑድያውያን ደቂ ኣንስትዮ መኪና ክመርሓ ዘፍቕድ ሕጊ ኣተኣታትዩ። እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዝወስዶ ስጉምትታት ኸኣ ወትሩ ምስ ተነቐፈ እዩ። ምስቲ ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ስዑድ ዓርብ ዝተቐተለ ውሩይ ጋዜጤኛ ጀማል ካሾጊ ተተሓሒዙ'ውን ስሙ ብጽቡቕ ኣይልዓልን እዩ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55472918"} {"headline":"ተሓላቒ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ስዑዲ፡ ሉጃን ኣል-ሃትሉል: ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሓ","content":"ሉጃን ኣል-ሃትሉል እትበሃል ውርይቲ ተጣባቒት መሰል ደቂ ኣንስትዮ ስዑዲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከም እተፈትሐት ስድራ ሓቢሮም። ጓል 31 ዓመት ሚስ ሃትሉል፡ ደቂ ኣንስትዮ ስዑዲ መኪና ንክዝውራ ክፍቀደለን ኣለዎ ኣብ ዝብል ዓብዪ ኣበርክቶ ነይሩዋ። እቲ “እገዳ ምዝዋር መኪና” ቅድሚ ምልዓሉ ኣብ ዝነበረ ሒደት ሰሙናት ከኣ ኣብ 2018 እያ ተኣሲራ። ኣብ ታሕሳስ፡ ሓደ ቤት ፍርዲ፡ ንፖለቲካውን ህዝባውን ስርዓት ስዑዲ ክትቅይርን ክትጐድእን ብምፍታና ገበነኛ እያ ብምባል ንሽዱሽተ ዓመት ኣብ ጽኑዕ ሓለዋ ቤት ማእሰርቲ ኽትእሰር ፈሪዱዋ። እንተኾነ ሕጂ ድሕሪ ሓያል ዓለማዊ ጸቕጢ ድሕሪ ክልተ ዓመትን 10 ወርሕን ማእሰርቲ ተፈቲሓ። ስድራ ቤታ ግን፡ ገና \"ሓራ ኣይኰነትን\" ንሓሙሽተ ዓመት ካብ ስዑዲ ንኸይትወጽእ ተኸልኪላ ኣላ። ካልእ ብዙሕ ቀይድታት እውን ከጋጥማ እዩ ክብሉ ገሊጾም። ሊና እትበሃል ሓፍታ \"ልውጃን ሓፍተይ ንገዛ መጺኣ\" ክትብል ኣብ ትዊተር ብምጽሓፍ ሓፍታ ድሕሪ ናይ 1,001 መዓልቲ ማእሰርቲ ከም እተፈትሐት ንዓለም ኣበሲራ። ኣልያ ዝስማ ካልእ ሓብታ'ውን \"ኣብ ህይወተይ፡ ሎሚ እታ ዝበለጸት መዓልቲ እያ\" ክትብል ጽሒፋ። ሚስ ሃትሉል፡ ኣብ ግንቦት 2018፡ ምስ ብዙሓት ደቀንስትዮ ስዑዲ ዓረብ መኪና ንክዝውራ ክፍቀደለን ኣለዎ ዝበላ ተጣበቕቲ መሰል መሰልታ ድሕሪ ምእሳራ፡ ምልክት ጸቕጥን ዓፈናን ደቀንስትዮ ስዑዲ ዓረብ ኮይና። ስድራ ቤታ፡ ኣብ ፈለማ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቀይዲ ከም ዝነበረትን ብኤለክትሪክ ከይተረፈ ከምእተመርመረትን ከምእተገርፈትን፡ ጸታዊ ምድሃል ከም ዘጋጠማን ተዛሪቦም። ሰበስልጣን ስዑዲ ከምዘይተገርፈትን ከምዘይተሳቐየትን እንተተዛሪባ ናጻ ከውጽኡዋ ከምዝኽእሉ ከምእተዛረቡዋ እውን ከሲሶም። መንግስቲ ስዑዲ ግን ነቲ ናይ ስቅያት ክሲ ነጺግዎ። ስድራኣ ግን ኣብዚ ቀረባ እዋን ይግባይ ንዝበሉዎ ብቤት ፍርዲ ከምዝተነጽገ ሓቢሮም። ሰበ-ስልጣን ስዑዲ ሃትሎል ምስ ናይ ወጻኢ ዲፕሎማሰኛታት፡ መራኸቢ ብዙሃንን ወጻእን ርክብ ከምዝነበራ እዮም ዝኸሱዋ። ናይ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ጃክ ሱሊቫን ሚስ ሃትሉኦ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምፍትሓ ብሓጐስ ተቐቢልዎ \"ጽቡቕ ነገር’ዩ\" ክብል ከኣ ገሊጽዎ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56021225"} {"headline":"ሙስጠፋ ኣል-ዳርዊሽ፡ ትሕቲ ዕደመ እንከሎ ብዝፈጸሞ ገበን ብሞት ዝተቐጽዐ ስዑድያዊ","content":"ሙስጣፋ ኣል ዳርዊሽ ወዲ 17 ዓመት እንከሎ ብዝፈጸሞ ገበን መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ብሞት ከምዝቐጽዖ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ገሊጾም። መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ዋላ እኳ ኣብ ትሕቲ ዕድመ ኮይንካ ዝተፈጸመ ገበን ብሞት ከምዘይየቕጽዕ እንተኣወጀ፡ ብተግባር ግን ከምዘየቋረጾ’ዮም እቶም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝገልጹ። ሙስጣፋ ሓሸም ኣል-ዳርዊሽ ምስ ንመንግስቲ ምቅዋም ብዝተሓሓዝ ክሲ’ዩ ኣብ 2015 ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። መንግስቲ ስዑድ ዓረብ፡ ሙስጣፋ ሓሸም ኣል-ዳርዊሽ ሓንቲ ጉጅለ ናይ ሽበራ ብምምስራት ብብረት ዝተሰነየ ኣድማ ንምክያድ ይውድብ ነይሩ ዝብል ክሲ እዩ ኣቕሪብሉ። እቶም ተጠባቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግን እቲ መስርሕ ፍርዲ ቅኑዕ ኣይነበረን ብምባል እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ከይፍጸም ብተሪር’ዮም ክጽውዑ ጸኒሖም። ኣምነስት ኢንተርናሽናልን ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዝቃወም ረፕሪቭ ዝተብሃለ ትካል ተጠባቒ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ሙስጣፋ ሓሸም ኣል-ዳርዊሽ ማህረምቲ ምስ በዝሖ ነቲ ተግባር እወ ፈጺመዮ እየ ኢሉ ከምዝኣመነ ምግላጹ ከም መርትዖ ሒዞም መስርሕ ፍርዱ ብነጻ ኣካል ክርአ ብተደጋጋሚ ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም። ሙስጣፋ ሓሸም ኣል-ዳርዊሽ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዋላ እኳ ወዲ 26 ዓመት እንተኾነ እቲ ዝቐረበሉ ክሲ ወዲ 17 ዓመትን ትሕቲኡን እነከሎ ስለዝፈጸሞ፡ መሰል ትሕቲ ዕድመ ክኽበረሉ ንመንግስቲ ስዑድ ዓረብ ብተደጋጋሚ እኳ እንተሓተቱ፡ መንግሰቲ ስዑድ ዓረብ ግን ዝኾነ መልሲ ኣይሃበን። ሮይተርስ ብወገኑ ሙስጣፋ ‘ብምንዓብ: ጸጥታ ምዝራግን ባእሲ ምልዓልን’ ዝብል ክሲ’ውን ተመስሪትዎ ምንባሩ ገሊጹ። ሙስጣፋ ካብ 2011 ክሳብ 2012 ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣብ ልዕሊ 10 ዕግርግራት ከምዝተተሳተፈ ኣብ ልዕሊ ናይ ጸጥታ ኣካላት ሓውሲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመን ዘርኢ ናይ ስእሊ መርትዖታት እዩ ቀሪብሉ። ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ስዑድ ዓረብ ሙስጣፋ ንሓደ ኣባል ጸጥታ ፈተነ ቅትለት ከምዘካየደሉ ምጥቃሱ ማዕከናት ዜና ይሕብራ፡ ቤት ግርዲ ብወገኑ እቲ ፈተነ ቅትለት ኣበይን ንመንን ከምዝተፈጸመ ዝኾነ መርትዖ ከምዘይቐረበሉ ምሕባሩ ሮይተርስ ገሊጹ ኣሎ። ቤተ ሰብ ሙስጣፋ ሓሸም ኣል ዳርዊሽ እቲ ፍርዲ ከምዝተፈጸመ ኣብ ኢንተርነት ከምዝርኣይዎን ካብ ውላዶም ዝኾነ ናይ ፋንዋ ቃል ክሰምዑ ዕድል ከምዘይተውሃቦምን እዩ ረፕሪቭ ዝተብሃለ ትካል ተጠባቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝገልጽ። ቤተ ሰብ ሙስጣፋ “መንግስቲ ከመይ ገይሩ ንሓደ ህጻን ኣብ ሞባይሉ ረኺበዩ ብዝበሎ ስእሊ ብሞት ይቐጽዕ” ምባሎም ረፕሪቭ ኣብ ገጻቱ ሓቲምዎ ኣሎ፡ ብምስዓብ “ካብታ ዝተኣሰረላ እዋን ጀሚሩ መላእ ስድራ ኣብ ቃንዛ እዩ ዘሎ፡ ዝኾነ ካብ ቃሉ ዝሰማዕናዩ ነገር የለን፡ ብህይወት ዘለዉ ሬሳታት ኢና ኮይና ዘለና” ኢሎም። ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳይ ስዑድ ዓርብ ንማዕከን ዜና ኤስፒኤ ከም ዝሓበሮ መስርሕ ፍጻመ ፍርዲ ናይ ሙስጣፋ ሓሸም ኣል ዳርዊሽ፡ ኣብ ከተማ ዳማም ከምዝተኻየደ ሓቢሩ። ሰብ መዚ ስዑድ ዓረብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ብትሕቲ ዕድመ ዝፍጸም ዝኾነ ዓይነት ገበን ብሞት ከምዘይቀጽዑን እንተነወሐ ን10 ዓመታት ጥራይ ከምዝኣስርዎምን ምሕባሮም ዝዝከር እዩ። ኣምነስት ኢንተርናሽናልን ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዝቃወም ረፕሪቭ ዝተብሃለ ተጠባቒ ሰብኣዊ መሰላትን መስርሕ ፍርዲ ሙስጣፋ ሓሸም ኣል ዳርዊሽ በዚ ሓዲሽ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተመሓየሸ ሕጊ ክርአ’ዮም ክጽውዑ ጸኒሖም፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብርጣንያ ዶሞኒክ ራብ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ ንጉዳይ ምምሕያሻት ሕገ ፍትሒ ስዑድ ዓረብ ኣመልኪቱ ምስ ሰብ መዚ ስዑድ ዓረብ ከምዝተዘራረበ ተገሊጹ ነይሩ እዩ። ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ስዑድ ዓረብ ኣብ ዝውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ኣብ ዓመተ 2020 ኣብ መጠን ናይ ሞት መቅጻዕቲ ዓቢ ምጉዳል ከምዘርኣየ እዩ ገሊጹ። እንተኾነ፡ ትካል ተጠባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሪፕሪቭ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ኣብ ፍርቂ ናይ 2021 ልዕሊ ኣቲ ኣብ መላእ 2020 ዝተፈጸመ ናይ ሞት መቅጻዕቲ ከምዘካየደ ገሊጹ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57495325"} {"headline":"ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ንምምላስ ጻዕሪ ይግበር ኣሎ ተባሂሉ","content":"ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኢትጵያውያን ስደኛታት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ጻዕሪ ይግበር ከም ዘሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣፍሊጡ፡፡ ወሃቢ ቃል እቲ ሚኒስትሪ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጉዳእ ኣብ ስዑዲ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን \"ኣብ ሓጺር እዋን፡ እንተተኻኢሉ ኣብ ክልተ ሰሙን’’ መልሲ ክረክብ ከም ዝኽእል ተዛሪቡ፡፡ ንሱ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ንምምላስ፡ ምስ ሰበስልጣን እታ ሃገር ዝዘራረብ ኮሚቴ ተጣይሱ ናብታ ሃገር ከም ዘምረሐ ገሊጹ፡፡ ኣምባሳደር ዲና፡ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ሰሙን ዝተኻየደ መረጻ ዝምልከት ‘‘ህዝቢ ኢትዮጵያ ነቲ መረጻ ብሰላማዊ መንገዲ ብምክያድ’’ ጸገም ክፈጥሩ ናይ ዝደልዩ ሓይልታት ተንኮል ኣፍሺሉ እዩ ኢሉ፡፡ ብተወሳኺ ነቲ መረጻ ዝተዓዘቡ ኣካላት ቅድሚ መረጻን ኣብ እዋን መረጻን ዝተዓዘብዎም ነገራት እቲ መረጻ ተኣማኒ ከም ዝነበረ ዘርእይ ከም ዝኾነ መስኪሮም ኢሉ፡፡ ጉጅለ ተዓዛቢ መረጻ ሕብረት ኣፍሪቃ እውን፡ እቲ መረጻ ተኣማንን ሰላማውን ከም ዝነበረ ምግላጹ ጠቒሱ፡፡ ብኻልእ ወገን \"ኣብ ትግራይ ከም ብሓድሽ ዝጀመረ ኲናት የለን’’ ዝበለ ወሃቢ እቲ ወሃቢ ቃል \"መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጹሃት ዒላማ ኣይገብርን’’ ብምባል ነቲ ኣብዚ ሰሙን ብመሰኻኽር ዓይንን ምስልታትን ተሰንዩ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ ኣብ ማእከል ዕዳጋ ቶጎጋ ንጹሃት ዒላማ ዝገበረ ደብዳብ ነፈርቲ ነጺጉ፡፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ሓያል ኲናት ከም ዘሎ ነበርቲ ዝፈላለያ ከተማታት ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም፡፡ ኣብ ሰሙናዊ ጉዳያት መግለጺ ዝሃባ ኣምባሳደር ዲና ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣኼባ ክጽውዕ ሱዳን ደብዳበ ምጽሓፋ ብዝምልከት \"ሕብረት ኣፍሪቃ እንታይ ገይሩኩም? ንምንታይ ስግር ባሕሪ ትኸዱ? እዩ መልስና’’ ኢሉ፡፡ ቤት ጽሕፈት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፡ እቲ ግድብ ኣብ ህይወት ሚልዮናት ከስዕቦ ዝኽእል ጸቕጢ ንምዝታይ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ህጹጽ ኣኼባ ክጽውዕ ሓቲቱ ነይሩ፡፡ ኣምባሳደር ዲና ግና \"እቲ ሕቶ ግቡእ ዘይኮነን ንጻዕሪ ሕብረት ኣፍሪቃ ክብሪ ዘይህብን እዩ\" ክብል ተቓዊሙዎ፡፡ ብተወሳኺ ሱዳን ኣብ ግዝኣት ኣብዬ ኣብ ምኽባር ሰላም ዝተዋፈረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክወጽእ ዘቕረበቶ ሕቶ ብዝምልከት ድማ፡ ኣኽባሪ ሰላም ናይ ምእታውን ምውጻእን ጉዳይ ሓላፍነት ውድብ ሕቡራት መንግስታት እምበር ናይ ካልእ ከም ዘይኮነ ዝሕብር መልሲ ሂቡ፡፡ ኣብዚ ሰሙን ሱዳን ዓቀብቲ ሰላም ኢትዮጵያ ካብ ኣቢዬ ክወጽኡ ከም እትደሊ ኣፍሊጣ ነይራ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57607288"} {"headline":"ሞሮኮ ምስ እስራኤል ‘ታሪኻዊ’ ዝተባህለ ዲፕሎማስያዊ ስምምዕ ከቲማ","content":"ሞሮኮ፡ ብሞንጎኝነት ኣመሪካ ምስ እስራኤል ዘለዋ ርክብ ከተመሓይሽ ተሰማሚዓ። በዚ መሰረት ሞሮኮ፡ ኣብ ዝርዝር እተን ምስ እስራኤል ዘለወን ዝምድና ዘማሓይሻ ዘለዋ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ኣትያ። ከም ኣካል እቲ ስምምዕ፡ ኣመሪካ ነቲ ሞሮኮ ኣብ ምዕራብ ሰሃራ ይግብኣኒ እዩ ትብሎ ቦታ ኣፍልጦ ሂባቶ ኣላ። እቲ ቦታ ንሞሮኮን ብኣልጀርያ ዝድገፉ ናጽነት ዝጠልቡ ግንባር ፖልሳርያን ዘሰሓሕብ ቦታ ኮይኑ ኣመሪካ ከም ዋንነት ሞሮኮ ኣፍልጦ ሂባቶ ዘላ። ሃገረ ሞሮኮ ካብ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ባሕረይን ሱዳንን ስዒባ ምስ እስራኤል ክትሰማማዕ ዝኸኣለት ራብዓይቲ ሃገር ክትከውን ክኢላ። ሕቡራት ኢማራት ዓረብን እስራኤልን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ርክበን ናብ ንቡር ክመልሳ ምስ ተሰማማዓ ካልኦት ማሕበር ሃገራት ዓረብ’ውን በብቁሩን ምስ እስራኤል ዘለወን ርክብ ኣብ ምምላስ ይርከባ። ብሓፈሻ ካብ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፡ ግብጺ፣ ዮርዳኖስ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ባሕረይ፣ ሱዳንን ሞሮኮን’የን ምስ እስራኤል ዲፕሎማስያዊ ርክባት ዘለወን። እቲ ስምምዕ እንታይ’ዩ ዝብል? ንስምምዕ ሞሮኮን እስራኤልን፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ’ዩ ብመንግዲ ትዊተር ብሓሙስ ንዓለም ኣበሲርዋ። \"ካልእ ታሪኻዊ ክስተት፤ እተን ክልተ የዕሩኽትና፡ እስራኤልን ንግስነት ሞሮኮን ዲፕሎማስያዊ ርክባት ክጅምራ ተሰማሚዐን” ዝብል ዝርከቦ ጽሑፍ ኣስፊሩ። ዋይት ሃውስ ኣብ ዘውጽኢ መግለጺ’ውን፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ንጉስ ሞሮኮ መሓመድ ሻዱሻይን ብዝገበርዎ ዘተ “ሞሮኮ ምስ እስራኤል ዲፕሎማስያዊ ርክባት ክትጅምር ከምኡ’ውን ርግኣት ናይቲ ዞባ ናብ ንቡር ንምምላስ ምስ እስራኤል ቁጠባውን ባህላውን ምትሕግጋዝ ንኽትገብር ተሰማሚዓ” ኢሉ። ክልቲአን ሃገራት፡ ነቲ ኣብ 2000 ዝዓጸወኦ ኣብ ቱልኣቪቭን ራባትን ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ወኪላተን ዳግማይ ክኸፍተኦ’ውን ተሳማሚዓን ኣለዋ። ካብዚ ብተወሳኺ ካብ እስራኤል ናብ ሞሮኮ ቀጥታዊ ናይ ኣየር በረራ ክህሉ እዩ። ቀዳማይ ሚኒሰትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ነቲ ስምምዕ ‘ታሪኻዊ’ ኢሉ ገሊጽዎ። ኣብቲ ብቴሌቪዥን ዝሃቦ መግለጺ፡ ንንጉስ ሞሮኮ ብምምስጋን፡ ሞሮኮን እስራኤል ኣብቲ ዘመናዊ እዋን ኢሉ ዝገለጾ ግዜ ዝንኣድ ርክብ ከምዝነበረን ገሊጹ። ኣብ ሞሮኮ’ውን ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣብ ዘውጽኢ መግልጺ፡ ንጉስ እታ ሃገር ምስ ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ምዝታይ ምስ እስራኤል ዲፕሎማስያዊ ርክባት ክጅመር ከም ዝተሰማመዐ ገሊጹ። ግብጺ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ባሕረይንን’ውን ንስምምዕ ናይ ሞሮኮን እስራኤል ብሓጎስ ከም ዝተቐበለኦ ዝገልጽ መግለጺ ከውጽኣ እንከለዋ ሰብ መዚ ፍልስጤም ግን ነቲ ስምምዕ ኮኒነሞ። ሰብ መዚ ፍልስጤም፡ ንኹሉ እቲ ሃገራት ኣዕራብ ምስ እስራኤል ዝገብረኦ ዘለዋ ስምምዓት፡ ‘እስራኤል ኣብ መሬትና ዝገበረቶ ጎበጣ ኣፍልጦ ምሃብ እዩ' ብምባል ክኹንንዎ ጸኒሖም’ዮም። ንጉስ ሞሮኮ ድሕሪ እቲ ስምምዕ “ሞሮኮ ምስ እስራኤል ዲፕሎማስያዊ ርክባት ንኽትገብር ምስምማዓ፡ ነቲ ሕቶ ፍልስጤማውያን ንክንፈትሕ ክንገብሮ ዝጸናሕና ተበጉሶታት ብዝኾነ መንገዲ ዝዕንቅፍ ኣይኮነን” ኢሉ። እቲ ንጉስ ብምስዓብ፡ ንመሓመድ ዓባስ “ንመሰል ህዝብ ፍልስጤም ዝገብሮ ዘሎ ቃልሲ ዘለና ደገፍ ኣይከነቋርጾን ኢና” ብምባል እስራኤልን ፍልስጤምን ጉዳያተን ብክልትኣዊ ዘተ ንኽፈትሓ ደጋጊሙ ከም ዝጽዕር ሓቢሩ። ከም ኣካል እቲ ስምምዕ ኣመሪካ’ውን ነቲ ሞሮኮ ኣብ ምዕራብ ሰሃራ ይግብኣኒ እዩ ትብሎ ቦታ ኣፍልጦ ክትህቦ እያ። ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ ንጉስ ሞሮኮ ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፡ እቲ ሞሮኮ ይግብኣኒ እዩ ትብሎ ኣብ ምዕራብ ሰሃራ ዝርከብ ቦታ ኣመሪካ ናይ ሞሮኮ እዩ ኢላ ከም ትኣምን መግለጺ ዋይት ሃውስ ይሕብር። እቲ ቦታ ቅድም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ስጳኛ ዝነበረ ኮይኑ ኣብ 1975 እዩ ምስ ሞሮኮ ተሓዊሱ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ በቶም ብግንባር ፖልሲናርዩ ዝምርሑ ደቀባት ሰሃራዊን መንግስቲ ሞሮኮን ናይ ይግብኣኒ እዩ ምስሕሓባት ጸኒሑ። ሞሮኮ ነቲ ቦታ ግዝኣተይ እዩ ክትብሎ እንከላ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ግን ንምዕራብ ሰሃራ ከም ልኡላዊት ሃገር እዩ ዝቆጽራ። ብግንባር ፖልሲናርዩ ዝምርሑ ደቀባት ሰሃራዊን ን16 ዓመታት ወተሃደራዊ ቃልሲ ድሕሪ ምክያድ ኣብ 1991 ብሞንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት ረፈረንደም ክገብሩ ብምስምማዕ ኩናት ደው ኣቢሎም፡ እቲ ረፈረንደም ግን ክሳብ ሕጂ ክካየድ ኣይክኣለን። ድሕሪ ስምምዕ ሞሮኮን እስራኤልን ወኪል ግንባር ፖሊሳርዩ ሲዲ ዑመር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ሞሮኮን ምዕራብ ሰሃራን ብዓለምለኻዊ ሕጋጋትን ሕግታት ሕቡራት ሃገራትን ክፍታሕ ጸዊዑ ኣሎ። ሲዲ ዑመር ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጽሓፎ “እዚ ስጉምቲ እዚ ስርዓት ሞሮኮ ነቲ ኣብ ምዕራብ ሰሃራ ብዘይሕጋዊ ዝጎበጦ መሬት ንዘይምፍታሕ መንፈሱ’ውን ክሸይጥ ድሉው ምህላው ዘርኢ’ዩ” ኢሉ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55270681"} {"headline":"ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ንስነ ኣእምሮኣዊ ጸገማት ከምዝተቓልዑ ገሊጾም","content":"ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ብፖሊስ እናተሃደኑ ይእሰሩ ከምዘለዉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም፡፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ድማ፡ መንግስቲ ናብ ሃገሮም ክመልሶም ስለዘይከኣለ፡ ገሊኦም ብጭንቀት ንሕማምን ስነ ኣእምሮኣዊ ጸገማትን ከምዝተቓልዑ ገሊጾም፡፡ ኣብ ስዑድ ዓረብ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኢትዮጵያን ኣምባሳደርን ሌንጮ ባቲ ምስ ሓለፍቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣብ ጉዳይ ርክብ ክልቲአን ሃገራትን ኣብታ ሃገር ዘለዉ ስደተኛታትን ኣመልኪቶም ብኣቆጻጽራ ግእዝ ሰንበት 6 ሰነ 2013 ከምዝተዘራረቡ፡ እቲ ኤምባሲ ኣብ ፌስቡክ ገጹ ሓቢሩ ኣሎ፡፡ ኣብቲ ዘተ ብዛዕባ ኣብ ቤት ማአስርቲ ዝርከቡ፣ መንበሪ ፍቓዶም ግዘ ዝሓለፎን ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብታ ሃገር ዝኣተዉን ኢትዮጵያውያን ከምዝተዘራረቡን ነቲ ጉዳይ ፍታሕ ንምሃብ ብሓባር ይሰርሑ ከምዘለዉን እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፡፡ መንእሰይ ነሚድ ዑስማን፡ ሹመሲ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ቤት ማእሰርቲ ጅዳ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተኣሲሩ፡፡ ንሱ ይሰርሐሉ ካብ ዝነበረ ከተማ ርያድ ተታሒዙ፡ ኣብ ገጠር ከባቢ ሪያድ ንሓሙሽተ ወርሒ ምስተኣሰረ ናብቲ ሕዚ ዝርከበሉ ቤት ማአሰርቲ ጅዳ ከምዝተዛወረ ይገልጽ፡፡ ኣብ ጅዳ ምስተኣሰሩ ዋላ‘ኳ ናብ ኢትዮጵየ ክምለሱ ድልየት እንተነበሮም፡ ዝሓተና ናይ መንግስቲ ኣካል ግን ኣይረኸብናን ይብል፡፡ ‘‘ቅድሚ ሕዚ ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዘዛርበና ሰብ እንተረኸብና ኢልና ንሰለስተ መዓልትን ልዕሊኡን ናይ ምግቢ ምሕሳም ኣድማ ጌርና ነይርና፡፡ ኮይኑ ግና ‘ግደፉዎም፤ ኣብኡ ይኹኑ’ ዝብል መልሲ ከምዝሃቡ ፖሊስ ነጊሮምና’’ ይብል፡፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰሙናዊ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ይመልስ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ፡፡ እዚ መንእሰይ ግና ‘‘ ከምቲ እንሰምዖ ዜና እንተኾይኑ መንግስቲ ዝበዝሕ ኣብ ርያድ ካብ ዝርከቡ እዩ ናብ ሃገር ዝመልስ ዘሎ፡፡ ንሕና ድማ ዝተፈላለየ ሕማማት ንዘለዎም ይመልስ ከምዘሎ ኢና ንሰምዕ፡፡ ካብዚ ወጻኢ ግን ካበይ ይወስድ ከምዘሎ ኣይርደአናን’’ ብምባል ቅረትኡ ይገልጽ፡፡ ‘‘ ኣብዚ ኣብ ጅዳ ዘለና ንግለል ኢና፡፡ ኣብዚ ኣነ ዘለኹዎ ቤት ማአሰርቲ ብውሑድ 30 ሽሕ ኣለና፤ ኣብታ ዘለኹዋ ክፍሊ ድማ ልዕሊ 100 ሰባት ብሓደ ንነብር፡፡’’ ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረቦ መሓመድ ኑር ያሲን ብወገኑ፡ ኣብ ከተማ ጅዳ ኣካላት ጸጥታ ንዜጋታት ኢትዮጵያ እናኣረዩ ይኣስሩዎም ከምዘለዉ ይገልጽ፡፡ ብፍላይ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ግፋ እናሓየለ ከምዝመጸ ዝገልጽ መሓመድ፡ ኣብታ መዓልቲ ልዕሊ 500 ዝኾኑ ኢትጵያውያን ከምዝተትሓዙ ይፈልጥ እየ ኢሉ፡፡ ‘‘ነቶም ዝሓዞዎም ልዕሊ 500 ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣይወሰዱዎምን፡፡ ኣብ ሓደ ቀጽሪ እዮም ኣቐሚጦምዎም፡፡ ንኢትዮጵያውያን ጥራሕ እዮም ዝደልዩ፡፡ ጥፍኣት ዝፈጸመ ካልእ ኣካል እኳ እንተኾነ እናተደለየ ዝእሰር ዘሎ ግን ናይ ኢትዮጵያ ዜጋ ጥራሕ እዩ’’ ይብል፡፡ ‘‘ ሰብ ኣብ ከተማ ክዛወር ኣይኽእልን፤ ሽዱሽተ መዓልቲ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ውጽእ ኢልና ምግቢ ክንገዝእ ኣይንኽእልን፡፡ ኣነኳ ሕዚ ተሓቢአ እየ ዘለኹ፡፡’’ ብተወሳኺ ኣካላት ጸጥታ እታ ሃገር ንኢትዮጵያውያን እንትሕዙ ‘‘ከም ሰብ ዘይኮነስ ከም እንስሳ እዮም ዝወቕዑ’’ ክብል የረድእ መሓመድ፡፡ አቶም ዝተትሓዙ ክሳብ ሕዚ ኣብ ሓደ ቀጽሪ ከምዘለዉን ናብ ቤት ማእሰርቲ ሺሙሲ ከምዘይወሰድዎምን እውን ይሕብር፡፡ መንእሰይ ነሚድ፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ እኹል ኣየር ስለዘይረኽቡ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ይቃልዑ ከምዘለዉ ብምግላጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት እውን ከምዘይረኽቡ ይዛረብ፡፡ ‘‘ዝሓመመ ሰብ ካብ ክፍልና ኣውጽኡልና እንተበልና እውን እሺ ኣይብሉን፡፡ ኮይኑ ግና ይገርፉናን ይቕጥቅጡናን፡፡ ብመግረፍትን ካልኦት ጉድኣታትን ኣእምሮኦም ዝሰሓቱ (ዝዓበዱ) ኣለዉ፡፡ ኣብዚ’ኳ ምሳይ ብውሑድ ኣርባዕተ ሰባት ኣእምሮኦም ስሒቶም ኣለዉ፡፡ ሕቶ እዞም መናእሰይ ናብ ዓዶም ክምለሱ እዩ፤ ሓደሽቲ እውን ይተሓዙ ኣለዉ፡፡ ቅድሚ ሐዚ ዝተኣሰሩ እውን ናብ ዓዶም ይምለሱ የለዉን’’ ብምባል ገሊጹ፡፡ ኣብ ርያድ ቅድሚ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝተኣሰሩ ናብ ሃገሮም ይውሰዱ ከምዘለዉ ዝገልጽ እዚ መንእሰይ፡ ኣብ ጅዳ ንነዊሕ እዋን ዝተኣሰሩ ግን ከምዝተረስዑን እዚ ድማ ከምዘሕዘኖን ይዛረብ፡፡ ‘‘መንግስቲ ክገልጽ እንከሎ ‘መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ኣብ መጽንሒ ቦታ ዘጽነሖም’ እዩ ዝብል፡፡ ንሕና ግን ኣብ መጽንሒ ዘይኮነስ ንወዲ ሰብ ዘይሙቸን ክብሪ ኣብዘይብሉን ውሽጢ ገዛ ተዳጒንና ኢና ዘለና’’ ይብል፡፡ ቅድሚ ሕዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝደልዩን ኢትዮጵያውያን፡ በቢሰሙኑ ናብ ሃገሮም ይመልስ ከምዘሎ ይገልጽ ነይሩ፡፡ በዚ ድማ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም እዮም፡፡ ዋላኳ ብዛዕባ እቲ ኣድልዎ ይፍጸመና እዩ ዝብል ክሲ እቶም ስደተኛታት ዝተባህለ ነገር እንተዘየለ፡ መንግስቲ ኢትጵያ ምስ መንግስቲ ስዑዲ ሓቢሩ ይሰርሕ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ፡፡ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣምባሳደርን ሌንጮ ባቲ፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣመልኪቱ ምስ ዝምልከቶም ሰበስልጣን ስዑዲ ከምዝተዘራረበ እቲ ኤምባሲ ገሊጹ እዩ፡፡ ኣብቲ ጉዳይ ስደተኛታት ኣመልኪቶም ዘካየድዎ ዘተ፡ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝደልዩ ኢትዮጵያውያን፡ ብዘይ ቅጽዓት ገንዘብን ማእሰርትን ናብ ሃገሮም ምምላስ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ከምዝተዘራረቡ ሓበሬታ እቲ ኤምባሲ የመልክት፡፡ ብተወሳኺ ብዛዕባ እቶም ኣብ ቀረባ እዋን ፖሊስ ገፊፉ ዝኣሰሮምን ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላትን ብዝርዝር ከምዝተዛተዩን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ብጥንቃቐን ትዕግስትን ክጽበዩን እቲ ኣብ ርያድ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ፌስቡክ ገጹ ገሊጹ ኣሎ፡፡","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57502711"} {"headline":"ልኡል ካሊፋ፡ ኣብ ዓለም ዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ሞይቱ","content":"ኣብ ዓለም እቲ ዝነውሐ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ልኡል ካሊፋ ቢን ሳልማን ኣል ካሊፋ ኣብ 84 ዓመቱ ሞይቱ። ድሕሪ ናጽነት ባሕሬን ኣብ 1971 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ናብ ስልጣን ዝመጽአ ልኡል ካሊፋ፡ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሕክምና ክንክን ክግበረሉ ከም ዝጸንሐ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ። ልኡል ካሊፋ፡ ኣኩኡ ንንጉስ ማማድ ኮይኑ፡ ኣብቲ ንጉሳዊ ስድራቤት ሓያል ተራ ከም ዝነበሮ ይዝረብ። ኣብ 2011 ቀውዒ ዓረብ ኣብ ዝተበገሰሉ እዋን፡ ዴሞክራሲ ዝጠልቡ ተቓወምቲ ልኡል ካሊፋ ካብ ስልጣኑ ክእለ ጠሊቦም ነይሮም። ንሱ ግን፡ ቀውዒ ዓረብ \"ሞት፣ ናዕብን ዕንወትን\" ጥራሕ'ዩ ኣምጺኡ ብምባል፡ ኣብ ባሕሬን ፖለቲካዊ ለውጢ ከይመጽእ ዓንቂዑ ንዝብል ክሲ ነጺጉዎ። ባሕሬን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ እስራኤል ሓድሽ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ክትጅምር ከም ዝተሰማምዐት ይፍለጥ። ቅድሚ ትሸዓተ ዓመታት ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ነቲ ዓመጽ ምስ ኣለዓዐሉዎ ኣብታ ብስርዓት ሱኒ ሙስሊም እትመሓደር ሃገር ተቓውሞ ክስማዕ ጸኒሑ እዩ። እቲ ተቓውሞ ብማሕበረሰብ ሺዓ ዝለዓል ኮይኑ ኣብታ ሃገር ኣሎ ዝብሉዎ ኣድልዎ በጺሑና ይብሉ። መንግስቲ፡ ኣብታ ሃገር ዝነበራ ናይ ውልቂ ሚዲያታት ኣጊዱ፣ ንኩሎም ተቓወምቲ ጉጅለታት ኣፍሪሱን ብኢንተርነት ዝቐርብሉ ተቓውሞታት ክዕፍፍን ፈቲኑ'ዩ። ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ጋዜጠኛታትን መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፊታትን ምስቲ ተቓውሞታት ብዝተሓሓዝ ተኣሲሮም'ዮም። ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት'ውን ባሕሬናዊ ዜግነቶም ተመንጢሎም።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54905107"} {"headline":"ኣብ ቴሌፎንኹም ዘሎ 'ወርቂ' ኣዘዋወርቲ ዕጸ ፋርስ ዝረብሕሉ ምዃኑ ትፈልጡ’ዶ?","content":"ሓደ ወርቂ ዘጻሪ ትካል፡ ገበነኛታት ኣዘዋወርቲ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ንዓመታት ኣብ ተንቀሳቐስቲ ስልክን መካይንን ዝግጠም ወርቂ ንክሸጡ ከም ዘፍቀደ ሓደ መርመራዊ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ። እዚ ካሎቲ ዝተባህለ ትካል ኣብ ዱባይ ዝርከብ ኮይኑ፡ ወርቂ ካብ ገበነኛታት እዩ ዝዕድግ፤ እቶም ገበነኛታት ድማ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ናብ ሕጋዊ መስመር ከእትውዎ መገዲ የመቻችኡ። ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት እቲ ትካል ዘይሕጋዊ ገንዘብ ናብ ሕጋዎ መስርዕ ኣብ ምእታው ዕሉል ምዃኑ ዓለም ንክትፈልጦ ቤት ጽሕፈት ግምጃ ኣመሪካ ሓበሬታ ተዋሂቡዎ ነይሩ። ግን ዝተዋህበ መጠንቀቕታ ኣይነበረን። ካሎቲ፡ ኣብ ዘፍርዩዎም ምህርታት ክቡር መዓድን ንዝጥቀሙ ኣፕል፣ ኣማዞንን ጀነራል ሞተርስን ወርቂ ሸይጡ’ዩ። እዚ ማለት እዞም ትካላትን ዓደግትን ብተዘዋዋሪ ንዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ሓገዝ ገይሮም’ዮም ማለት’ዩ። ወኪላት ካሎቲ ገበን ወይ’ውን ዘይሕጋዊ ስራሕ ኮነ ኢልና ኣይንድግፍን እዮም ዝብሎ። ዓለምለኻዊ ጉጅለ ጋዜጠኛታት መርመራን ቢቢሲን ዝረኸቡዎ ሚስጥራዊ ሰነዳት፡ ቤት ጽሕፈት ግምጃ ኣመሪካ ኣብ 2014 ዓ.ም መጠንቀቕታ ክህብ ተሓቲቱ ምንባሩ የመላኽቱ። ንሰለስተ ዓመታት እዚ ጉዳይ ከጻርዩ ዝጸንሑ መርመርቲ’ዮም እቲ ሓበሬታ ሂቦምዎ። ‘ሃኒ ባጀር’ ዝብል መጸውዒ ሽም ተዋሂቡዎ፡ ብትካል ጸረ ዕጸ ፋርስ ኣመሪካ (ዲኢኤ) ዝተኻየደ መርመራ እዩ። ካሎቲ ወርቂ ተጠቒሙ ብርክት ዝበለ ዘይሕጋዊ ገንዘበ ኣዘዋዊሩን፤ ኣመሓላሊፉን እዩ። ኣብ ዝኾነት ሃገር ዘለው ገበነኛታት ምስ ምዝውዋር ዕጸ ፋርስ ወይ ካልእ መንገዲ ብዝተረኽበ ገንዘብ ወርቂ ወይ’ውን ካልእ መጋየጺታት ዓዲጎም ንካሎቲ ከም ዝሸጡ ዘረጋግጹ ሰነዳት ተረኺቦም እዮም። ካሎቲ ድማ እቲ ወርቂ ተቐቢሉ ብርክት ዝበለ ኣፍካ ዘትሕዝ ገንዘብ ይህቦም። ወይ’ውን ይልእኸሎም። ቤት ጽሕፈት ግምጃ ኣመሪካ መጠንቀቕታ ክህብ ተነጊሩዎ ስቕ ዝበለ በቲ ዝወስዶ ስጉምቲ ንሕቡራት ኢመራት ንከየቐይም’ዩ። ካሎቲ ኣብዚ ጉዳይ መልሲ ንክህብ ስለ ዘይተሓተተ ዝብሎ ነገር የለን። ቤት ጽሕፈት መኽዝን ኣመሪካ’ውን ዝበሎ የለን። ኣብ ዓለም ካሎቲ ገንዘብ ኣብ ዘቕመጠሎም ባንክታት ዘጠራጥሩ ምንቅስቓሳት ከም ዝነበሩ’ውን እቲ መርመራ የመላኽት። መንግስቲ ኣመሪካ ግን እዚ መርመራ ንህዝቢ ወግዓዊኣ ይገበሮን። ባንክ ደችስ፣ ባርክለይን ካልኦት 34 ባንክታትን ብዛዕባ ካሎቲ ካብ ቤት ጽሕፈት መኽዝን ኣመሪካ ምስ ገንዘብ ዝተሓሓዙ ገበናት እቲ ጸብጻብ ክኣቱ ገይሩ’ዩ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ካብ 2007 ክሳብ 2015 ኣብ ዝነበረ ግዜ 9.3 ቢሊዮን ዶላር ዝውውር ተገይሩ። ኣብ 2017 ዘይሕጋዊ ገንዘብ ብሕጋዊ መገዲ ከእቱ ጉጅለ ኣብ ፈረንሳ ተኸሲሱ እዩ፡ እዚ ኣብ ፈረንሳ ዕጸ ፋርስ ይዝርግሕ ነይሩ። እዚ ጉጅለ ዝቆጻጸሮ ረንዴ ኢንተርናሽናል ንካሎቲ 146 ሚሊዮን ዶላር ዘውጽእ ወርቂ ከም ዝሸጠ ቢቢሲ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣረጋጊጹ እዩ። ካሎቲ ዘይሕጋዊ ስራሕ ከምዘይሰርሐን ብሰበ ስልጣን ኣመሪካ ከም ዘይተኸሰሰን ይዝረብ ጠበቓታት እቲ ትካል ከም ዝብሉዎ’ውን በብዓመቱ ብሕጋዊ መገዲ ኦዲት ዝግበር ትካል እዩ። ዲኢኤ ዘካየዶ መርመራ ከም ዘመላኽቶ ካሎቲ ንመጀመርታ ግዜ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ናብ ሕጋዊ መስመር ክኣቱ ዝገበረ ብነሓሰ 2014 እዩ። ካሎቲ ዝሸጦ ገዚፍ ወርቂ’ውን ኣብ ኢድ ዓበይቲ ትካላት ኣትዩ’ዩ። ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ገዚፍ ኣፍራዪ ወርቂ ቫልካምቢ ካብ ሞንጎ ካብ ካሎቲ ወርቂ ዝዓደጉ ትካላት እዩ። ቫልካምቢ ካብ 2018 ክሳብ 2019 20 ቶን ወርቂ ካብ ካሎቲ ገዚኡ። 60 ቶን ወርቂ ድማ ምስ ካሎቲ ርክብ ካብ ዘለዎ ኣካል ገዚኡ። እቲ ትካል ግን ካብ ካሎቲ ወርቂ ከም ዝዓደገ ክኣምን ወይ ክክሕድ ከም ዘይኽእል ተገሊጹ። ወርቂ፡ ተንቀሳቐስቲ ስልኪ ካብ ዝስርሑሎም ንጥረ ነገራት ሓደ እዩ። ኣፍራዪ ስልኪ ኣፕኣል ካብ ካሎቲ ወርቂ ገዚኡ እዩ። ኣፕል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ወርቂ ዘጻሪ ትካል ዘቐመጥናዮ ረቛሒታት ዘይምጥን እንድሕር ኮይኑ ወይ ፍቓደኛ እንድሕር ዘይኮነ ኣይንዕድግን። ካብ 2015 ንነጀው ምስ ልዕሊ 63 ትካላት ዝነበረና ስምምዕ ኣፍሪስና ኢና” ኢሉ። ወሲኹ፡ “ዘይሻራዊ ኣካል ዘካየዶ መጽናዕቲ ድማ ካሎቲ ዘቕረቦ ወርቂ ኣብ ምህርታት ኣፕል ከም ዝወዓለ ዘረጋግጽ መረዳእታ የለን” ኢሉ። ካሎቲ፡ ንጀነራል ሞተርስን ኣማዞንን ወርቂ ከም ዘቕረበ ግን እቶም ሰነዳት ይሕብሩ፥ መካይን ክገጣጠማ ከለዋ ወርቂ ዝጥቀም ጀነራል ሞተርስ ምስ ካሎቲ ቀጥታዊ ርክብ ከም ዘይነበሮን ንምህርቲ ዘውዕሎ ናውታት ዘቕርብሉ ትካላት ሓላፍነት ብዝተመልኦ መገዲ ከም ዝሓርን ገሊጹ። ኣማዞን ብወገኑ “ምህርቲ ዘቕርቡለይ ትካላት ሕግታት ሰብኣዊ ሰመላትን ሓለዋ ስነ ከባብን ዘኽብሩ ከም ዝኾኑ’የ ዘረጋግጽ። ዝጥቀሞም ንጥረ ነገራት ድማ ካበይ ከም ዝመጽኡ ኣብ ምጽራይ እቶም ምህርቲ ዘቕርቡልና ክተሓባበሩኒ ይሓትት እየ” ኢሉ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54262847"} {"headline":"ፍርሒ ኮሮና ቫይረስ ንነጋድያን ሓጅ መካን መዲናን የሻቕሎም","content":"እቲ ኣብ ከተማ ዉሃን ቻይና ዝፈለመ፡ ጸኒሑ ኮቪድ-19 ዝብል ስም ዝተዋህቦ ቀታሊ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ንዓለም ብፍርሒ ኣሾቕሪሩዋ ኣሎ። እቲ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ግብጺ ኣልጀርየን ቱኒዝያን ከምዝተራእየ ዝንገረሉ ሕማም ነታ ምስ ቻይና ሓያል ንግዳዊ ርክብ መስሪታ ዘላ ብጥዕናዊ ኣገልግሎት ብዙሕ ዘይሰጎመት አህጉር ኣፍሪቃ ኣብ ስግኣት ከቲቱዋ ይርከብ። ግን ኣፍሪቃ ጥራሕ ኣይኮነትን በዚ ሕማም ተሻቒላ ዘላ። ስዑዲ ዓረብ እውን እቲ ናብ ቅዱስ ቦታታት መካን መዲናን ዝግበር ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣመንቲ ምስልምና ዝሳተፉዎ ንግደት ደው ከተብሎ ምውሳና ብወግዒ ገሊጻ ኣላ። እዚ ማለት ከኣ፡ ነቶም ብእስላዊ ምኽሪ ዝኾነ ዓቕሚ ትዘሕዝቶን ጥዕናን ዘለዎ ኣማኒ ኣብ ዕድሚኡ ሓንሳብ ንመካ ክበጽሕ ይግባእ ዝብል ሓንቲ ካብ ሓሙሽተ አዕኑድ እቲ ሃይማኖት ክፍጽሙ ዝደልዩ ኣመንቲ፡ ናብቲ ቅዱስ ቦታታት ንኪገሹ ዳርጋ ንነዊሕ ዓመታት እዮም ገንዘብ ዘዋህልሉ። ሕጂ ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ንስዑዲ ዘእቱ ቪዛ የሎን ምስተባህሉ ዝሻቐሉ ውሑዳት ኣይኮኑን። እተን ሓሙሽተ አዕኑድ እምነት ምስልምና፡ ኣብ ሃይማኖት ምስልምና ከምእትኣምንን ብኽብርታቱ ከምእትግዛእን ምእዋጅ፤ መዓልታዊ ሓሙሽተ ሳዕ ጸሎት ምግባርን ምስጋድን፤ ኣብ ጾመ ሮሞዳን ናይ ግድን ምጻም፤ ካብ ዘሎካ ትሕዝቶ ንድኻታትን ነዳያንን ምጽዋት ምሃብ፤ ዓቕምን ትሕዝቶን ኣብ ዝረኸብካሉ እዋን ከኣ ኣብ ዕድመዓኻ ሓንሳብ ናብቲ ቅዱስ ቦታታት ናብ መካን መዲናን ምብጻሕ ዝብላ እየን። እዛ ሓሙሸይቲ ዓንዲ እምነት እያ እምበኣር ሕጂ በዚ ናይ ኮሮናቫይረስ ስክፍታ ንግዚኡ ትተዓናቐፍ ዘላ። ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብዝተፈላለየ ሞያ ዝሰርሐ ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዓብዱራሕማን ኣቡሃሺም ሰይድ፡ እቲ ዝርገሐ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ ስዑዲ ዓረብ ንነጋድያን ዑምራን ሓጅን ንግዝይኡ ጠጠው ምባላ ኣዎንታዊ ስጉምቲ ምዃኑ ይገልጾ። \"ኣብ ንግደት ሓጅ ካብ መላእ ዓለም ዝገሹ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ዝኾኑ በጻሕቲ ንስዑዲ ስለዝኣተው፡ እቲ ናይ ኣምልኾት ቦታ እውን ጽብብ ዝበለ ብምዃኑ ሕማማት ጉንፋዕ ብቐሊሉ እዩ ዝመሓላለፍ\" ዝበለ ዓብዱራሕማን እዚ ሕጂ ንዓለም ኣሻቒሉዋ ዘሎ ኮሮና ቫይረስ ግን ቀዛፊ ሕማም ብምዃኑ ነብሲ ወከፍ ሃገርን ሕብረተሰብን ዝግባእ ጥንቃቐ ክገብር ኣድላይ ምዃኑ የረድእ። ስዑዲ ዓረብ ካብ ነጋድያን ሓጅ ዓመታዊ 23 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከምእትረክብ ጸብጻባት ይገልጽ። እዚ ማለት ከኣ ድሕሪ ቁጠባ ነዳዲ ሃይማኖታዊ ቱሪዝም መገሻ ነጋድያን ቅዱስ ቦታታት መትኒ ቑጠባኣ እዩ። ግን ካብ ህይወት ዝዓቢ ነገር ስለዘየሎ፡ እታ ሃገር ከኣ እኹል ኣታዊ ነዳድን ውህሉልን ሃብትን ስለዘለዋ ብግዝያዊ ምትዕንቓፍ ኮሮና ቫይረስ ብዙሕ ትጉዳእ ኣይመስለንን ክብል ይውስኽ ኣቡ ሃሺም። እዚ ኣብ ኣስታት 40 ሃገራት ዓለም ከምዝኣተወ ዝንገረሉ ዘሎ ኮሮናቫይረስ ኣብቲ ፈለማ ምስተወዓወዐ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ኬንያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን በቲ ሕማም ዝተጠርጠሩ ሰባት ተወሺቦም ምክትታል ክግበረሎም ጸኒሑ ነይሩ። ኣብዚ ቐረባ ዕለታት ከኣ ኣብ ግብጺ፡ ቱኒዝያን ናይጀርያን ከምዝኣተወ ተፈሊጡስ ንኣፍሪቃ ኣሻቒሉዋ ኣሎ። ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝመርሖ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኮሮና ቫይረስ ኣብ ኣፍሪቃ እንተተዘርጊሑ ምስ ድሩትነት ሕክምናዊ ኣገልግሎት ሞያውያውንን መሳርሒ ሕክምናን ቀረብ መድሃኒትን ንምክልኻሉን ምቁጽጻሩን ክኸብድ ከምዝኽእል ብምግላጽ ማሕበረ ሰብ ዓለምን ሞያውያን ጥዕናን ነቲ ሕማም ንምግታእ ዝከኣሎም ክግበሩ ተማሕጺኑ። ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ፡ ኣብ ወፍርን ንግድን ዝተዋፈሩ ቻይናውያን ኣብ ኣፍሪቃ ከምዝቐመጡ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ይሕብሩ። በዚ ምኽንያት ከኣ ካብን ናብን ኣፍሪቃን ቻይናን ቀጻሊ በረራ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ሕማም ምስተራእየን ምስተወዓወዐን ግን ብዘይካ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከኣ ሓያሎ ትካላት መንገዲ ኣየር ናብ ቻይና ዝግበረኦ ዝነበራ በረራ ንግዚኡ ኣቋሪጸንኦ ኣለዋ። እቲ ክሳብ ሕጂ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሰባት ዝቐተለ፡ ንስርዓተ ምስትንፋስ ዘጥቅዕ ሓደገኛ ሕማም፡ ከም ሰዓልን ኢንፍሉዌንዛን ብምስትንፋስን ምህንጣስን እዩ ዝመሓላለፍ። ይኹን እምበር እቲ በቲ ሕማም ዝተለኽፈ ሰብ ዝኾነ ይኹን ምልክታት ከየርኣየ ክሳብ 14 መዓልታትን ልዕሊኡን ክጸንሕ ስለዝኽእል'ዩ ዝያዳ ሓደገኛ ዘብሎ ይብሉ ሞያውያን ጥዕና::","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51718374"} {"headline":"ሃይማኖት፡ ፈላማይ ሒጅራ ዝተኻየደሉ 'ካልኣይ መካ' መስጊድ ኣልነጃሺ","content":"ሓጅ፡ እቲ ዝዓበየ ሃይማኖታዊ ምትእኽኻብ ዓለም እዩ። ኣብ ሃይማኖት እስልምና ብምእማን ብኽብርታቱ ክትግዛእ እንከለኻ፡ ዓቕምን ትሕዝቶን ኣብ ዝረኸብካሉ እዋን፡ ኣብ ዕድመኻ ሓንሳብ ናብ ቅዱስ ቦታታት መካን መዲናን ምብጻሕ ግድን ኮይኑ፡ ንግደት ሓጅ ሓንቲ ካብተን ሓሙሽተ ኣዕኑድ ሃይማኖት እስልምና እያ። በዚ ምኽንያት፡ በብዓመቱ ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ዝከኣሎም ምድላው ብምግባር፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ኣብ ዘለዋ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ መዓልታት ኣብ መካ ዝፍጸም ስርዓት ጸሎትን ሓጅን ክሳተፉ ናብ ስዑዲ ዓረብ ይኸዱ። ሕጂ ግን ኣይከም ቀደሙን፤ ምኽንያት ምስራዝ ዓበይቲ ሃይማኖታዊ፣ ታሪኻውን ባህላውን ምትእኽኻባት ዝኾነ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ስዑዲ ዓረብ ንንግደት ሓጅ ካብ ካልእ ሃገር ዝመጽኡ ኣመንቲ ከይኣትውዋ ከልኪላ እያ። ነባሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣቶ ዓብዱራሕማን ሰይድ፡ ካብ መጀመርታ ኣዋርሕ እዚ ዓመት ጀሚሩ ንንግደት ሓጅ ዝኾኖ ኩለ መዳያዊ ምድላው ክገብር ከም ዝጸንሐ ይዛረብ። ቀስ ብቐስ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ መላእ ዓለም ክዝርጋሕ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን እንተኾነ'ውን፡ ንንግደት ሓጅ ዝግበር ጉዕዞ ክስረዝ እዩ ዝብል ግምት ኣይነበሮን። \"ከም ኣማኒ፡ ኩላትና አኣብ ዘለናዮ ኾይንና ብምጽላይ፡ ካብዚ ሕማም ክንድሕን ኢና፤ ኣላህ ብፍቓዱ ከጥፍኦ'ዩ ዝብል እምነት ስለ ዝነበረኒ፡ ክሳብ መወዳእታ ናብ መካ ብምኻድ ሓሳብ ልበይ ከስምር ፍቓድ ጎይታ ክፍጽም'የ ዝብል ተስፋ ነይሩኒ\" ይብል። በዚ መገዲ ዝኣምኑ ብርክት ዝበሉ ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ናብቲ ቅዱስ ስፍራ ክኸዱ ብዘይምኽኣሎም ዝሓዘኑ ኣለው። ከም ሰብ፡ \"ሃይማኖትካን መጽሓፍን ዝብሎ ክትፍጽም ከለኻ ጽቡቕ ስምዒት ይፈጥር'ዩ\" ዝብሉ ቅድሚ ክልተ ዓመት ናብ መካ ዝኸዱ ሓጂ ሲራጅ መሓመድ፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ዝነበሮም ታሕጓስ ኣይርስዕዎን። \"ናብ ከምዚ ዝበለ ቅዱስ ስፍራ ምኻድ፡ ብጣዕሚ'ዩ ደስ ዝብል። ኣብ ንግደት ሓጅ በጺሑ ንዝተመለሰ ድማ፡ ኩሉ ሰብ እዩ እንኳዕ ደስ በለካ እናበለ ዝዝይሮ\" ኢሎም። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሓጅ ሲራጅ መሓመድ ሓላፊ ጉዳያት እስልምና መስጂድ ኣልነጃሺ'ዮም። እዚ ዓብዪ ታሪካውን ሃይማኖታውን ስፍራ ድማ፡ 'ካልኣይ መካ' ኮይኑ ስለ ዝርኣዮም፡ ከምዚኦም ዝበሉ ቦታታት \"ብሓይሊ ጎይታ\" ደው ዝበሉ'ዮም ኢሎም ይኣምኑ። \"ዋላ'ውን፡ ሓጅ ዝኽውን ናብ መካ ብምኻድ እንተኾነ፡ ነብዪና ነጃሺ ዝበጽሐ ንዓይ ዝበጽሐ'ዩ ስለ ዝብለና፡ ኣብ መስጂድ ኣልነጃሺ ምብጻሕ፡ ጽድቂ'ዩ ተባሂሉ ይውሰድ'ዩ\" ኢሎም። ተኸልቲ እስልምና፡ ደቂ ሰባት ኣብ ዓዶም፣ ኣብ ቦትኦም ክነብሩ ኣብ ዘይኽእልሉ ግዜ፡ ናብ ነጋሺ መጺኦም ብሰላም ኩሉ ዓይነት ማሕበረ ቑጠባዊ ምንቅስቓስ ከካይዱ ከም ዝኽእሉ ዘርኣየ ቦታ ብምዃኑ፡ መስጊድ ኣልነጃሺ ዓብዪ ሓላፍነት ማሕበረሰብ ሙስሊም ዓለም እዩ ይብሉ። እዚ መስጊድ፡ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ይርከብ። ሰዓብቲ እስልምና፡ ኣብ መካ የጋጥሞም ካብ ዝነበረ ቕትለት ሰጊኦም ናብ 'ምድሪ ሓበሻ ኪዱ' ተባሂሎም ክመጽኡ ከለው፡ ነጋሽ ዝተባህለ ንጉስ ኣታናጊዱዎም ኣብ ኢትዮጵያ ከም ዘዕቖቡ ይዝንቶ። እቲ መድጊድ'ውን ድሕሪ እቲ ንጉስ ከም ዝተሰየመን፡ ንሰለስተ ዓመት ኣስሊሙ፤ ምስ ሞተ ቐብሩ ኣብቲ ቦታ ከም ዝተፈጸመን ሃይማኖታዊ መጽሓፍቲ ጠቒሶም ተኸተልቲ እቲ ሃይማኖት ይዛረቡ። እዚ ልዕሊ 1400 ዓመት ዘቑጸረ ሒጅራ [ስደት] ዝተፈጸመሉ ቦታ እኳ እንተኾነ፡ ትኽክለኛ ታሪኽ ኣልነጃሺ ኣብ ዓለም ክፍለጥ ካብ ዝጅመር ግን ናይ ክልተ ዓሰርታት ዓመታት ዕድመ'ዩ ዘለዎ። ሓጂ ዓብዱ፡ ነዚ መስጊድ ዝሃነጹ ሰብ ኮይኖም፡ ድሕሪ 1983 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ብኢትዮጵያዊ በዓል ሃፍቲ ሸኽ ኣላሙዲ ሒሴን ተሓዲሳ ነይራ። ብ2015 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ድማ፡ መንግስቲ ቱርኪ ሙሉእ ከሐድሶን ህንጸትን እቲ መስጊድ ክሰርሕ ሓላፍነት ወሲዱ። እዚ፡ ቲካ ብዝተባህለ ትካል ኮንስትራክሽን ክሳለጥ ዝጸንሐ ስራሕቲ፡ ኣብ ውሽጢ 5ተ ዓመት ዝውገኑ ሰለስተ ደረጃታት ህንጸት ነይሮምዎ። ጸሓፊ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ኣቶ መሓመድ ካሕሳይ፡ እቲ ቐዳማይ ምዕራፍ ዝበሃል፡ ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት ዝወስድ ዝበሉዎ፡ ናይ ጽገና፣ ምንጻፍ እምንን ምምሕያሽን ምስፍሕፋሕን እቲ መስጊድ እዩ ይብሉ። እቲ ቐጻሊ ምዕራፍ፡ ካብ ቐጽሪ እቲ መስጊድ ወጺእኻ ዘሎ ህንጸት ኮይኑ፡ ማእከል ዕዳጋ ሆቴል፣ ሬስቶራንት፣ መዕረፊ ኣጋይሽ ሰሪሕካ እቲ ከባቢ ናብ ልምዓት ምእታው ዝጥምት ይኸውን። ድሕሪ'ዚ፡ ዓበይቲ መዕረፉ ኣጋይሽ ምስራሕ፣ ዓበይቲ ማያት ምኹዓት፣ ህንጻት መገዲታትን ኮሌጃትን ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ጌና ኣብ ቐዳማይ ምዕራፍ ህንጸት ከም ዝርከብ ኣቶ መሓመድ ካሕሳይ ሓቢሮም። ኣብዚ ደረጃ እንከሎ ግን፡ ናይ መብራህትን ማይን ጸገማት ከም ዘለዉዎን፡ ብርክት ዝበሉ ትሕዝቶታት እቲ መስጊድ ይስረቑ ምህላዎምን፡ ሓጅ ሲራጅ መሓመድ ዝዛረቡ። \"ኣብ መስጂድና ዘሎ ናይ መቓብር ቦታ መሊኡ፣ ነቲ መስጂድ ማይ ንምቕራብ ካብ ዝተኹዓተ 240 ሜትሮ ጉድጓድ ኩዒቶም ዝነበረ ፓምፕ ተሰሪቑ ኣሎ። ብዙሕ ንበረት'ውን ተሰሪቑን ተሸይጡን እዩ\" ዝብል ቅርታ ኣለዎም። እዚ ጉዳይ፡ ካብ ወረዳ ክሳብ ክልል ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክፈልጦ ከም ዝተገብረ ዝዛረቡ ሓጅ ሲራጅ፡ \"ጥርዓንና ዝሰምዕ ኣካል የለን። እቲ ጉድለት ኣብ ጉዳያት እስልምና ክልል ስለ ዘሎ ድማ፡ ዋና መጥፍኢ ጉዳይ እስልምና ክልልና'ዩ እየ ዝብል\" ኢሎም። መስጊድ ኣልነጃሺ፡ ሃይማኖታዊ ቦታ ካብ ምዃን ሓሊፉ ታሪኻዊ ቦታ ስለ ዝኾነ፡ ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ ዘሎ ኣመራርሓ ጉዳያት እስልምናን ቱሪዝምን እቲ ክልል ንሓድሕድ ምዕባለታቱ ይከታተሉዎ እዮም ተባሂሉ ይእመን። ሸኽ ረጃ ኑሩ፡ ኣቦ መንበር ኮሚቴ ኣልነጃሺ'ዮም። ነዚ ንታሕቲ 240 ሜትሮ ዘሊቑ ዝተቐብረ ማይ ዝደፍእ ፓምፕ ተሰሪቑ ዝብል ሓሳብ \"ሓሶት\" ብምባል ይነጽጉዎ። \"ሕዚ'ውን ኣብ ውሽጢ እዩ ዘሎ። ህዝቢ ዝርእዮ ዝሕባእ ነገር ኣይኮነን\" ዝብሉ ሸኽ ረጃ ኑሩ፡ ኣብቲ መስጊድ ሕጽረት ትራንስፎርመር ብምህላዩ ግን ተቓጺላ ኣገልግሎት ትህብ ከም ዘየላ ይዛረቡ። ትሕዝቶ እዚ መስጂድ ብምምዕባል፡ ዝሓሸ ሃይማኖታውን ቑጠባውን ረብሓ ዘመንጩ ከባቢ ንምግባር ሓላፍነት ዝወሰደ ኩባኒያ ህንጸት ቱርኪ፡ ናብ 2ይ ደረጃ ህንጸት ከይተሰጋገረ እንከሎ፡ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ'ዩ ንቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና መፍትሕ ኣረኪቡ። እቲ ኩባኒያ ኣብ ስራሕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ተመሳሳሊ ጸገማት ከጋጥም እንከሎ ሓላፍነት ወሲዱ ጽገና ይገብር ነይሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ስራሕ ከም ዘየሎን፡ ግዚያዊ ሓላፍነት ተረኪቦም ይከታተሉዎ ከም ዘለውን ጸሓፊ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ኣቶ መሓመድ ካሕሳይ የረድኡ። \"ናይ መብራህቲ፡ ክንርከቦ ከለና ከም ዝተቓጸለን ናብ ስራሕ ክምለሱ ከለው ከዐርዩዎ ከም ዝኾኑን ነጊሮምና፤ ግን እዚ ለበዳ ንዓለም ዓብዪ ዕንቅፋት ኮይኑ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ተመሊሶም ክመጽኡ ድዮም ኣይመጽኡን ገና ኣይተፈልጠን\" ኢሎም። ወሲኾም፡ \"እታ ማይ እትደፍእ ፓምፕ ከም ዝተቓጸለት ምስ ፈለጥና፡ ገበርቲ ሰናይ ደሊና ዝሰርሕሉ መገዲ ኣመቻቺእና፤ ክገዝኣ እየ ዝበለና ኣካል'ውን ነይሩ። ንዕኡ እናተጸበና ከለና ዋጋ ኸቢሩኒ ኢሉ ገዲፉዋ ኣሎ፤ እንተኾነ ንክትዕረ ንጽዕር ኢና ዘለና\" ዝብል ምላሽ ሂቦም። ኣብዚ ሰዓት፡ እቲ መስጂድ መብራህትን ማይን የብሉን ዝብል ዘረባ ግን፡ \"ግጉይ'ዩ\" ብምባል ይነጽጉዎ። ብርኢይቶ ሸኽ ረጃ ዝሰማምዑ ኣቶ መሓመድ፡ ነታ ፓምፕ ሰሪቑ ክሸይጥ ዝደሊ ኣካል ኣሎ ኢልካ ንምእማን ዘጸግም እኳ እንተኾነ፡ ኣብዚ ሰዓት ቀንዲ ትኹረትና ነታ ዝተቓጸለት ፓምፕ ኣብ ምትካእ ዝሕግዘና ገባሪ ሰናይ ኣሊሽካ፡ እቲ ጸገም ምፍታሕ'ዩ ኢሎም። \"እቲ ፓምፕ ስለ ዝተቓጸለ ኣብ ቀረብ ማይ ጸገም ኣጋጢሙ ኣሎ፤ ተሰሪቑ ዝብሃል ግን፡ 245 ሜትሮ ንታሕቲ ዝተቐበረት ፓምፕ ክወስድ ዝመጽእ፡ ንዓኣ ዘውጽእ መሽን ክህልዎ ኣለዎ። ነዚ ኩዒታ እተውጽእ ዓባይ መሽን ደው ኢላ እንተነይራ ድማ፡ እቲ ጠፊኡ ዝብል ዘሎ ኣካል እንታይ ይገብር ነይሩ ብዝብል ተሓታቲ ይገብሮ\" እዮም ዝብሉ። መካነ መቃብር 10 ደቂ ተባዕትዮ፤ 5 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም ተኸተልቲ [ኣስሓባት] ነብዪ መሓመድ ኣብ መስጊድ ኣልነጃሺ ይርከብ። እዚ ኣብ ኣልነጃሺ ዝግበር ምብጻሕ፡ ዑላማታት ትግራይ ከም ዝመስረቱዎ ዘረድኡ ኣቶ መሓመድ፡ እቲ ቀደም ሓጅ ክግበር እንከሎ ብምጽዋዕ ኣቢልካ ይኸይድ ከም ዝነበረ የዘንትው። ናብ መካ ኣብ ዝግበር ጉዕዞን ካብ መካ ኣብ ዝግበር መልስን፡ ካብን ናብን ኣብ ዝህሉ ምንቅስቓስ ናይ መጓዓዝያ ጸገም ስለ ዝነበረ ኣልነጃሺ ከም መራኸቢ ቦታ ክኾኖም ይጥቀምሉ ነይሮም።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53218208"} {"headline":"ስዑዲ ዓረብ፡ ንንግደት ሓጅ ኣመንቲ ካብ ካልኦት ሃገራት ከይኣትውዋ ከልኪላ","content":"ስዑዲ ዓረብ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ክትብል፡ ሎሚ ዓመት ንንግደት ሓጅ ኣመንቲ ካብ ካልኦት ሃገራት ከይኣትውዋ ከልኪላ። ኣብቲ ናይ ሎሚ ዓመት ሃይማኖታዊ ፍጻመ ክሳተፉ ዝኽእሉ፡ ኣብዚ እዋን ኣብታ ሃገር ዘለዉን ውሱናት ሰባት ጥራይን ምዃኖም መራኸብቲ ብዙሓን እታ ሃገር ገሊጸን። እቲ ናብ ቅዱስ ቦታታት መካን መዲናን ዝግበር ዓመታዊ ንግደት፡ ኣስታት 2 ሚልዮናት ኣመንቲ እስልምና ክሳተፉሉ እዩ ትጽቢት ነይሩ። ሓጅ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ምሉእ ንምሉእ ክስረዝ ይኽእል እዩ ዝብል ፍርሒ’ውን ነይሩ። ኣብ ስሩዕ እዋናት፡ ነዚ ንግደት ዝፍጽሙ ኣመንቲ እስልምና ካብ ምሉእ ዓለም እዮም ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝውሕዙ። እንተኾነ፡ ኣብዚ ዓመት ዜግነቶም ብዘየገድስ ግን ድማ ኣብዚ እዋን ኣብታ ሃገር ኣትዮም ዘለዉ ሰባት ጥራይ እዮም ኣብ ሓጅ ክሳተፉ። እዚ ውሳነ፡ ሰባት ርሕቀቶም ሓልዮም፡ ውሑስ ብዝኾነ መገዲ ሓጅ ክፍጽሙ ዘኽእል እንኮ ኣማራጺ ምዃኑ እዮም ሰብመዚ ስዑዲ ገሊጾም። ስዑዲ ዓረብ፡ ዛጊት 161,005 መልከፍትታት ኮሮናቫይረስ ዘጋጠማ ኾይኑ፡ ካብዚኦም 1,307 ሰባት ሞይቶም እዮም። ኣብ ምሉእ ስዑዲ ዓረብ ተነቢሩ ዝጸንሐ ዕጽዋ፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት እዩ ተላዒሉ። ንግደት ሓጅ እንታይ እዩ? እተን ሓሙሽተ አዕኑድ እምነት ምስልምና፥ ስለዝኾነ፡ ንግደት ሓጅ ሓንቲ ካብተን ሓሙሽተ ኣዕኑድ እምነት እስልምና እያ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53146908"} {"headline":"መንግስቲ ዝረሰዖም ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ስዑድ ዓረብ","content":"ናይ ሽድሽተ ወርሒ ነብሰ ፁር ዝኾነት ኣሰፉ፡ ቅድሚ ሽድሽተ ወርሒ እያ ኣብ ራጎ ተታሒዛ ናብዚ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ስደተኛታት ተዳጊኖምሉ ዝርከቡ ቤት-ማእሰርቲ ዝኣተወት። ኣብ የመን ካብ ሞንጎ ብዙሓት መናእሰይ ብህይወት ተሪፋ ናብ ስዑድ ዓረብ ዝኣተወት ኣሰፉ፡ ፈለማ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዳየር ንሰለስተ ወርሒ ተኣሲራ፡ ደሓር ድማ ናብ ጂዛን ቤት-ማእሰርቲ ክትቕየር ተገይሩ። \"ዳየር ኣብ ዝበሃል ቤት-ማእሰርቲ ሰለስተ ወርሒ ተሳቒና። ነብሰ ፁራት ኮይንና ናይ ሽቓቕ ማይ እናሰተና ኢና ዘለና። ናይ ደቂኣንስትዮ ፀገም ድማ ፍሉጥ እዩ፡ ነብሰ ፁር ኮይንካ ክንደይ ፀገም እኒሆ። ሓሚምና ንባዕሉ፡ ኣብ ሽቓቕ ደቂስና ናብ ሕክምና ውሰዱና እንተበልናዮም ኣይወስዱናን። ድሕሪ ናይ ሰለስተ ወርሒ፡ ናብ ቤት-ማእሰርቲ ጂዛን መፂእና\" ኢላትና። ኣብቲ ቤት-ማእሰርቲ ብዙሓት ሓራሳት፣ ነብሰ ፁራትን ህፃውንቲ ቆልዑን ይሳቐዩ ከምዘለዉ ትገልፅ ኣሰፉ፡ ክሳብ ሕዚ ንስቓዮም ሰሚዑ፡ ካብ ፀበባ ዘውፅእ ኣካል ብዘይ ምርካቡ እምበር'ከ መንግስቲ ኣለና ድዩ ትብል። \"ሽድሽተ ወርሒ ገይርና ድማ ብዘይ ሓደ ቅያር፡ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ፀገም ፍሉጥ እዩ፡ ወርሓዊ ፅግያት እናመፀአና ብዘይ ሞዴስ ክንደይ ፀገም ይበፅሐና ኣሎ። መቐየሪ ክዳን'ኳ ዘይብሎም ብዙሓት ህፃውንቲ ቆልዑ'ዮም ዘለዉ። ንካልኦት ስደተኛታት እናዕቐለት ዝነበረት ኢትዮጵያ፡ ሕዚ ግና መንግስቲ የብልናን ድዩ? ኢትዮጵያውያን ኮይንና እናተንከራተትና፡ መዓሮ ሽድሽተ ወርሒ ፍታሕ ዘይብሉ፡ እንድዒ ኣነስ ደንጽዩኒ እዩ እኒሆ\" ትብል፡ ካብቲ ፀልማት ትወፀሉ ብርሃን ብምእላሽ። ኣብቲ ቤት-ማእሰርቲ ትሽዓተን ሸሞንተን ኣዋርሕ ዝገበራ ነብሰ ፁራት ከምዘለዋ ትገልፅ ኣሰፉ፡ እቲ ኩነታት ዝያዳ ንነብሰ ፁራት ከቢድ ከምዝኾነን ድማ ትገልፅ። \"ሓሚምና ጥንሲ ናብ ሓደ ገፅ ተገላቢጡና'ኳስ፡ ሕክምና ውሰዱና ኢልና ለሚንናዮም ኣይወስዱናን። ኣብዚ ትሽዓተ፣ ሸሞንተ ወርሒ ዝገበራ ነብሰ ፁራት ስደተኛታት ኣለዋ። ብእግዚአዛብሄር ሓይሊ ኢና ንንቀሳቐስ ዘለና'ምበይ፡ ኣየናነይ ሕክምና ተሓኪምና?፣ ኣበየናይ ምርማራ ተገይሩልና? ታይ'ሞ ንስቓይናስ መግለፂ የብሉይ፡ ምረትና መግለፂ ስኢንናሉ\" ክትብል ተስፋ ብዝቖረፀ ኣንደበት፡ ብዝተቖራፀ ምስትንፋስ። ስደተኛ ክንፈ'ውን፡ ካብቶም ካብ ኣልግሃር ናብቶም ኣብያተ ማእሰርቲ ኢልካ ክትፅውዖም ዘሰክፉ መዳጎንታት ስዑድ-ዓረብ ዝኣተዉ ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ሓደ እንትኸውን፡ ኣብቲ ንሱ ዝርከበሉ ኣዳራሽ 321 ስደተኛታት ተፀቓቒጦም ይርከቡ። \"እቲ ዘለናሉ መኻዚኖ፡ ከም ካልኦት ኣብ ጅዳ ዝርከቡ ቤት-ማእሰርቲ ኣይኮነን። ንነዊሕ እዋን ተዓፅዩ ዝነበረን ሙቐትን ስለዝኾነ፡ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ክንቃላዕ ጌሩና እዩ። ሓሚምና ንረኽቦ መድሓኒት ኮነ ሕክምና የለን። እቲ ንበልዖ ምግቢ'ውን ፅሬቱ ዝሓለወ ኣይኮነን፤ ኣማራፂ ስለዘይብልና ግዝኡ ዝሓለፎ ተዓቑሩ ዝነበረ ማይ ኢና ንጥቀም\" ኢሉ። ቅድም ክብል ስደተኛታት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ካብ ዝርከብ ኮምዩኒቲ ኢትዮጵያ ዝተወሰነ ሓገዝ ይረክቡ'ኳ እንተነበሩ፡ ሕዚ ግና ኣብታ ሃገር ናይ ዘሎ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ገለ ሰራሕተኛታት፡ እቶም ስደተኛታት ካብቲ ኮምዩኒቲ ሓገዝ ከይረኽቡ ከምዝዓገቶምን ገሊፁልና። \"ናብዚ ኩሉ ፀገም ክንኣቱ ክንጉዳእን ዝገበረና ናይ ኤምባሲ ሰራሕተኛ ኣሎ [ስም ጸሪሑ] ። መዝሓሊ ኣብ ዘይብሉ ሙቐት ገዛ ኣእትዩ ንዓና ንሕማምን ንሞትን ዘጋለፀና ንሱ እዩ። ብደገ ንዓና ክተሓባበሩ ዝደልዩ ተጋሩ፡ ክዳውንቲ ይኹን' ሳሙና ክሕግዝና ክንደይ ወፃኢ እናውፅኡ፡ ንዓና ከይንሕገዝ ክንደይ ተቓሊሱ እዩ። ስለዚ ሕዚ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኢና ዘለና\" ኢሉ። ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ጂዛን፡ ነብሰ ፁራት ጥራሕ ኣይኮናን፡ ሓራሳትን ገና ናይ ኣዋርሕ ዕድመ ዘለዎም ለግለግ ህፃውንትን'ውን'ዮም ኣብ ሕሰም ይነበሩ ዘለዉ። እዘን ሓራሳት ገሊአን ኣብቲ ቤት-ማእሰርቲ ዝወለዳ እንትኾና፡ ገሊአን ድማ ሓራሳት ኮይነን ምስ ውላደን ዝተኣሰራ እየን። ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ እንዳሰብ ትሰርሕ ዝነበረት ዛይድ፡ ገና ናይ ክልተ ወርሒ ሓራስ እንከላ እያ፡ ብጥቆማ ግዳይ ማእሰርቲ ኮይና። ሓደ መዓልቲ ገለ ክትዕድግ ናይ ክልተ ወርሒ ህፃን ቆልዓ ኣብ ገዛ ገዲፋ ኣብ ዝወፀትሉ ግዘ፡ ፖሊስ ክልተ ወርሒ ዕድመ ምስ ዘይመልኣ ህፃን ውላዳ ናብ ቤት-ማእሰርቲ ከምዝወሰዳን፡ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ጂዛን ንኣርባዕተ ወርሒ ተኣሲራ ትርከብ። \"ንጓለይ ጥጦ የብላ ገለ የብላ ምስ ሓዙለይ፡ በኽየ። ሓደ ለይቲ ብዘይ ጥጦ ብዘይ ማይ ካባይ ፈልዮም ኣሕዲሮማ። ቆልዓ ምስ ተትሓዘትኒ ክዳን የብለይ፡ ገለ የብለይ ደንጊፀ፡ ምስ ውላደየይ ክእሰር ኢለ ኣትየ\" ትብል። ኣይኮነን'ዶ ህፃን ቆልዓ ሒዝካ ንብሕትኻ'ኳ ሲኦል ከምዝኾነ ዝግለፁ እዞም ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑድዓረብ፡ ንጓል ክልተ ወርሒ ውላዳን ካልኦት ከምኣ ዝኣመሰላ ሓራሳትን ኣዝዩ ከምዝኸበደን፡ ዛይድ ኣውጊዓትና። \"ኣብ ሓፂን ካርቶን እናንፀፍና ኢና ንድቅስ። ናይ ቆልዓ ጨርቂ ሽንቲ ንሓፅበሉ ማይ ኣይንረክብን። እቲ ንጥቀመሉ ናይ ሽቓቕ ማይ'ውን ጨንዩ። ጡበይ ደሪቑ፡ ንውላደይ ፀባ ሓሊበ ኣይረኽበላን። ታይ'እዩ እሞ ክበሃል፡ ባዕሉ ካብዚ የውፅአና'ምበይ፡ ብጣዕሚ ኣብ ስቓይ ኢና እኔህና። ነቶም ወተሃደራት ዘይትሰዱና እንተበልናዮም ከኣ ናይ በዓልኩም መንግስቲ ዝኣበይኹም፡ ንዓና እንታይ ትብሉና ኣለኹም፡ በዓልኹም ትፈልጡ እዮም ዝብሉና\" ብምባል፡ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ክረድእዎም ተማሕፂና። ብፍላይ ቴሌግራፍ ዝተብሃለ ናይ እንግሊዝ ሚድያ፡ መሰንበዲ ምስልታት እቶም ስደተኛታሒዙ ዝወጸኡ ስዒቡ፡ እቲ ዛዕባ ናይ ዓለም ዓብዪ መዘራረቢ ኮይኑ እዩ። ሱቕታ መንግስቲ ንምንታይ? እዞም ንኣዋርሕ ኣብ መዳጎንታት ዝተሓየሩ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ፡ ምስ ዓለምለኻውያን ትካላት ይሰርሑ ካብ ሞንጎ ዘለዉ፡ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ምሁራት ትግራይ ሓደ እዩ። እቲ ማሕበር ከም ትካል ምግቢ ዓለም፣ ኣይኦኤም፣ ንኣመንስቲ ኢንተርናሽናል ካልኦትን ትካላት ኩነታት እዞም ስደተኛታት ከምዘፍለጠ ይገልጽ። እቶም ትካላት ዘድልይ ወፃኢ ሸፊኖም ነዞም ስደተኛታት ንምምላስ ፍቓደኛታት እኳ እንተኾኑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ፅቡቕ ምላሽ ከምዘይሃቦም እዩ ዝገልፅ። ኣባል ቦርድ እቲ ማሕበር ዶክተር ግርማ በርሀ፡ \"ካብ ኣይ ኦኤም እወንታዊ መልሲ ኢና ረኺብና። ዓለምለኸ ትካላት ዘድልይ ወፃኢ ንምሽፋን ድሉዋት እዮም። መንግስቲ ስዑድ ዓረብ'ውን ነቶም ስደተኛታት ንምምላስ ድሉው እዩ። ይኹን'ምበር ክሳብ ሕዚ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰናይ መልሲ ኣይረኸብናን\" ይብል። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ሓምለ ብዛዕባ እቶም ኣብ ሃገራት ዓረብ ኣብ ጭንቂ ወዲቖም ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ቤት-ምኽሪ ተሓቲቱ እንትምልስ፡ \"ንኮሮናቫይረስ ከም ምኽንያት ጌርካ ዝሰልጠኑ ናይ ከተማ ኣሸበርቲ ንምእታው ልዑል ድሌት ኣሎ። ብገዛእ ወፃኢና ዓዲ ምስ ኣተወ፡ ዝሕምስ ሓይሊ ናይ ምእታው ፃዕሪ ከምዘሎ ተስተውዒሉ እዩ። እቶም ንከእትው ዝፅዕሩ ዘለዉ ሓይልታት ግን ሕዚ'ውን ዘይፍንቅልዎ እምኒ የለን፡ ዜጋታት ተዘንጊዖም እንተዘይእተኹምዎም' ይብሉና ኣለዉ\" ምባሉ ይዝከር። ዜጋታት ኣብ ከቢድ ስቓይ ከምዝርከቡ ብምስልታት ዝተሓገዘ መረዳእታ እናቐረበ ከሎ ነዚ ኢልካ ምዝራብ ግቡእ ኣይኮነን ዝበሉ ብዙሓት ሰባት ድማ፡ ብመልሲ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ቁጠዖም ገሊፆም'ዮም። ዘረባ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንብዙሓት ኣብ ስቓይ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት'ውን ዘደንገፀን፡ ስቓዮም ንከየብቅዕ ዝገበረን ምዃኑ ክንፈ ገሊፁልና። \"መንግስቲ ንዓና ንከየእትዉ ኢትዮጵያውያን ኣይኮኑን፡ ሸፋቱ እዮም ከምዝበለና ሰሚዕናዮ ኢና። ስልጣኖም ንከዕብዩ'ምበር ንሕና ዝሸፈትናዮ ነገር የብልናን፡ እንጀራ ደሊናን ናብራና ክንቅይርን ኢልና ኢና ካብ ዓድና ወፂእና። ካልኦት ብፖለቲካ ይቃለሱ ዝነበሩ'ኳ ናብ ዓዶም እናኣተዉስ፡ ንሕና ዝተዓፀውናሉ ምኽንያት ብኸመይ እዩ?\" ብምባል ስቓዮም መዓስ ከምዘብቅዕ እናስተንተነ ኣውጊዑና። ካብቶም ኣብ ስዑዲ ተኣሲሮም ኣብ ዝኸፍአ ኩነታትን ስቓይን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን እሱራት እቶም ዝበዝሑ ካብ ትግራይ ከምዝኸዱ ይግለፅ። መንግስቲ ፌደራል፡ ምስቲ ምስ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ወጥሪ ድማ ምኽንኣት፡ ነዚ ጉዳይ \"ኮነ ኢሉ\" ትኹረት ከምዘይሃቦ እዩ ዝዝረብ። መንግስቲ ትግራይ ነቲ ጉዳይ ከምዝከታተሎ ዘሎ ብምግላፅ ናብ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ብቐጥታ ደብዳበታት ከምዝፀሓፈ ኣፍሊጡ እዩ። መንግስቲ ፌደራል ንጉዳይ እቶም እሱራት ፀማም እዝኒ ከምዝሃበ ዝሓበረ እቲ ደብዳበ፡ መንግስቲ ትግራይ ግን ብቐጥታ ክቕበሎም ድልው ከምዝኾነ ኣፍሊጡ። እዞም ስደተኛታት ገና ኣብ የመን እንከለዉ ኩነታቶም ክፅብፅብ ዝፀንሐ ቢቢሲ፡ ኣብቶም ዘሰክፉ ቦታት ስዑድ ዓረብ ምስተዳጎኑ'ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምንታይ ናብ ሃገሮም ከምዘየግዕዞም ኣብ ወርሒ ሰነ ሓቲቱ ነይሩ። ሻቡ ኣብ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ፡ ዳይሬክተር ጀነራል ቆንስላዊ ጉዳያት ኣይተ ዮውሃንስ ሾዴ ነቶም ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ከምዘግዕዝዎም ሓቢሩ ነይሩ። እንተኾነ ቃል ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ እንከይተተግበረ፡ ዛጊድ ኣእላፍ ስደተኛታት ብጥምየትን ሕማምን ይሳቐዩ ኣለዉ፤ ብሰንኪ እቲ ፅሬት ዘይብሉ መዳጎኒን ጥምየትን ብዙሓት ስደተኛታት ንዝተፈላለዩ ሕማም ዝተቓልዑ እንትኾኑ፡ ብወተሃደራት ስዑድ ዓረብ ዝተቐተሉ ስደተኛታት'ውን ኣለዎ። ንምዃኑ ብዙሓት ዓለም-ለኸ ትካላት ነዞም ስደተኛታት ንምሕጋዝ ድሉዋት ኮይኖም እንከለዉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ምምሕዳሩን ንምንታይ ነዞም ስደተኛታት ገፅ ከሊእዎም ክንብል ንወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሓቲትና። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት በፂሑ እንክምለስ፡ ብነፋሪት ዜጋታት ሒዙ ምምጽኡ ኣዘኻኺሩ። ኣብዚ ሰሙን ካብ ቤይሩት ኣስታት 400 ስደተኛታት ከምዘግዓዘ ዝዛረብ እቲ ወሃቢ ቃል፡ ኣብቲ ኣመራርሓን ብተግባርን ቆራፅነት ኣሎ ኢሉ። ኣብ ዝተፈላለዩ ቤት-ማእሰርቲ ስዑድ-ዓረብ ኣብ መፃብቦ ቦታ ዝርከቡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ እንትኾኑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና፡ ኣብዚ ወርሒ ጳጉሜን 2 ሽሕ ስደተኛታት ጥራሕ ናብ ሃገሮም ከምዘግዕዝ ገሊፁ እዩ። እዞም ስደተኛታት ኣብ ፀገም ከምዘለዉ እናተፈለጠ ንምንታይ 2 ሽሕ ጥራሕ ንዝብል ሕቶና ድማ፡ \" እዚ ጉዳይ ስእነት ቀረብ እዩ'ምበር ድሌት ዘይብልና ኮይንና ኣይኮነን። ሰነድ ምድላው'ውን የድልይ። ዝተፀገሙ ዜጋታት ናይ ምምላስ ድሌት ኣለና'ዩ፡ ግቡእና'ውን ስለዝኾነ፡ ይሰርሓሉ እዩ ዘሎ፡ ኣብ ሓፂር ግዘ ክንመልሶም ኢና\" ዝብል ምላሽ ሂቡና።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/54068682"} {"headline":"ደቂ ኣንስትዮ ስዑድ ዓረብ መኪና ንኽዝዉራ ተቓሊሳ ፍትሒ ዘይረኸበት ነጣፊት","content":"ደቂ ኣንስትዮ ስዑድ ዓረብ መኪና ንኽዝዉራ ተቓሊሳ ፍትሒ ዘይረኸበት ነጣፊት።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53504502"} {"headline":"ቅትለት ጀማል ካሾጊ፡ ቱርኪ ን20 ስዑዳውያን ኣብ ፍርዲ ኣቕሪባ","content":"ብቕትለት ስዑዳዊ ጋዜጠኛ፡ ጀማል ካሾጊ ዝተጠርጠሩ 20 ስዑዳውያን ኣብ ዘየለውሉ ኣብ ፍርዲ ቀሪቦም። እቲ ኣብ 2018 ኣብ ኤምባሲ ስዑዲ ኣብ ቱርኪ ብኣባላት ጸጥታ ስዑዲ ዝተቐትለ ጋዜጠኛ፡ ቀንዲ ነቓፊ ቀዳማይ ልኡል ንግስነት ስዑዲ መሓመድ ቢን ሳልማን’ዩ ነይሩ። እቶም ተኸሲሶም ቀሪቦም ዘለው ክልተ ኣማኸርቲ ወራሲ ዘውዲ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ኮይኖም፡ ኣብቲ ጉዳይ ዝኾነ ኢድ ከምዘይብሎም እዮም ዝገልጹ። ስዑዲ ዓረብ፡ ነቶም ኣብ ቅትልት ካሾጊ ኢድ ዝነበሮም ከተረክብ ካብ ቱርኪ ንዝቐረበላ ሕቶ ብምንጻግ፡ ዝሓለፈ ዓመት ንሾመንተ ጥርጡራት ንቤት-ፍርዲ ኣቕሪባቶም ነይራ’ያ። እቶም ሓሙሽተ ካብኣቶም ንሞት ክትፈርዶም እንከላ፡ ነቶም ዝተረፉ ሰለስተ ከኣ ንሕልፈት ክእሰሩ ከምዝፈረደቶም ይፍለጥ። ፍልይቲ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ጉዳይ ፡ ቅትለት \"ካሾጊ ኮነ ተባሂሉ ዝተፈጸመን ኣቐዲሙ ዝተሓሰበሉን መቕተልቲ እዩ፤ ነዚ ድማ ስዑዲ ዓረብ’ያ ሓላፍነት ትወስደሉ\" ኢላ። ቀንዲ ተቓዋሚ ወራሲ ዘውዲ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ዝኾነ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝቕመጥ ዝነበረ ጀማል ካሾጊ፡ ብ2 ጥቅምቲ 2018 እዩ ኣብ ከተማ ኢስታንቡል ኣብ ዝርከብ ቆንስል ስዑዲ ዓረብ ክኣቱ ንመወዳእታ ግዜ ተራእዩ። ብድሕሪኡ ግን ካብቲ ህንጻ ክወጽእ ከም ዘይተራእየን ብኡ ኣቢሉ ሃለዋቱ ከም ዝጠፍአን ይግለጽ። ካሾጊ ምስ ቀዳመይቲ ሰበይቱ ናይ ፍትሕ ጉዳይ ክፍጽምን፡ ነታ ሓዳስ ሕጽይቱ፡ ሃቲች ቼንጊዝ ክምርዓውን እዩ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ዝኸደ። መስርሕ ፍርዲ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ፍርዲ ሕጽይቲ ካሾጊ ሃቲች ቼንጊዝ ክትሳተፍ ተፈቒድላ’ሎ። ንሳ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ነቲ መስርሕ ስምዒታውን መንፈስካ ዘማስንን ክትብል ገሊጻቶ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ቱርኪ እምነት ከምዘለዋን፡ ፍትሒ ካብ ምድላይ ከምዘይትሕለልን ገሊጻ። ጀማል ኮሺጊ መን'ዩ? እቲ ኣብ ስደት ዝነብርን ኣንጻር ልኡል ሙሓመድ ቢን ሳልማን ዝኾነን ካሾጊ፡ ቅድሚ ምጥፍኡ ንጋዜጣ ዋሽንግቶን ፖስት ዓንቀጻት ዝጽሕፍ ዝነበረ’ዩ። እቲ ኣሰናዳዊ ጋዜጣ ኣል-ወጠን ዝነበረን ንዓመታት ምስቲ ንጉሳዊ ቤተ ሰብ ጥቡቕ ዝምድና ዝነበሮን ካሾጊ፡ ንገለ ሰበ ስልጣናት ስዑዲ ዓረብ ከም ኣማኻሪ ኮይኑ ሰሪሑ ኢዩ። ጸኒሑ ግን፡ ብዙሓት የዕሩኽቱ ከም ዝተኣስሩን፡ ኣብ ጋዜጣ ኣል-ሓያት ዘቕርቦ ዝነበረ ዓምዲ ምስተሰረዘን ኣብ ትዊተር ከይጽሕፍ መጠንቀቕታ ምስተዋህቦን ሃገሩ ገዲፉ ናብ ኣሜሪካ ክስደድ ተገዲዱ’ዩ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53288342"} {"headline":"ዓለማዊ ትካል ስደተኛታት፡ ኣብ የመን ኣሸሓት ኢትዮጵያውያን፡ 'ንሓደጋ ኮሮናቫይረስ ከይሳጥሑ' ሰጊኡ","content":"ዓለም-ለኸ ትካል ስደተኛታት፡ ኣብ ራጎ የመን፡ ኣሻሓት ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ንሕማም ኮሮናቫይረስ ከይቃልዑ ስግኣት ከምዝሓደሮ ገሊጹ። ሓላፊት ኮሙኒኬሽንን ፡ ዓለም-ለኸ ትካል ስደተኛታት ጨንፈር የመን፡ ሄዶን ኦሊቭያ፡ በኣሸሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ዶብ የመንን ስዑዲ ዓረብን ኣብ መጻብብ ውሽጢ ከምዝርከቡን ኩነታቶም ዘስግእ ከምዝኾነን ንቢቢሲ ገሊጻ። እታ ሓላፊት ብኢመይል ኣብ ዝሃበትና ምላሽ፡ \"ትካል ስደተኛታት ዓለም: ብዛዕባ እቲ ኩነታት ሰሚዑ እዩ። በቲ ኩነታት ድማ ኣዝዩ ሰጊኡ ኣሎ\" ኢላ። እቲ ትካል ቁጽሮም ብዕሊ ዘየረጋገጸ እንተኾነ'ኳ: ብግምት ልዕሊ 5 ሺሕ ዝኾኑ እዞም ስደተኛታት፡ ኣብ ግዝኣት ሰዓዳ [ምስ ስዑዲ ዝዋሰን ምምሕዳር የማን]፡ ናብ ስዑዲ ዓረብ ክሰግሩ ክብሉ ምስ ሕማም ኮሮናቫይረስ ብዝተፈጥረ ጥርጣረን ስግኣታትን ተኸልኪሎም ንሓደጋ ከምዝተቓልዑ ይግለጽ። ሓደ ካብ መንጎ እቶም ስደተኛታት፡ \"ጠያይቲ ብርእስና ይዘንብ ኣሎ\" ኢሉ ከምዘረጋገጸሎም'ውን ሓቢራ። ኣስታት ኣርባዕተ ሺሕ ዝኾኑ፡ቅድም ክብል ናብ ስዑዲ ዓረብ ሰጊሮም ዝነበሩ ድማ፡ እቲ ዝርከብሉ ኩነታት [ዳየር ቤት ማእሰርቲ] ሕማቕ ከምዝኾነ ምንጭታትና ይገልጹ። ኣብቲ ከባቢ ኣብ መንጎ ሓይልታት ሑትን፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ የመንን፡ ሓያል ኲናት እዩ ዝካየድ። ብሰንኪ እቲ ጎንጺ፡ ብፍላይ እዚ ግዝኣት የመን ዕጡቕ ዝበዝሖን ተኩሲ ዘይፈልየሉን ከምዝኾነ ይዝረብ። ነቶም ስደተኛታት ዘጋፍዑ ዘለዉ ምምሕዳር እታ ግዝኣት ዝተቖጸዓጸሩ ሓይልታት ሑቲ ከምዝኾኑ ድማ ምንጭታት ይገልጹ። ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሓይልታት፡ ውግእ ጠጠው ናይ ምባል ውዕል ይፈራረሙ 'ምበር ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ዘንጸላለወ ሓደጋ ግን ከምዘይንክዮ እቲ ትካል ይገልጽ። ምኽንያቱ ድማ፡ እቲ ስግኣት ምስቲ ውግእ ብቐጥታ ዝተኣሳሰር ዘይኮነስ ምስ ፍርሒ እቲ ሕማም ብምዃኑ፡ እዩ ትብል ኦሊቭያ። እቲ ትካል በቲ ኩነታት ኣዝዩ ስግኣት ዝሓደሮ ኾይኑ፡ ብዛዕባ ክገብሮ ዝግባእ ምስ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት እናተዘራረበ ከምዝርከብ ፡ ኦሊቭያ ገሊጻ። ቀዳማይ ነገር፡ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ንጹር ሓበሬታን ስእልን ንምርካብ ይሰርሕ ከምዘሎ እያ ትዛረብ። ይኹን'ምበር ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ዝበጽሕ ዘሎ ግፍዒ ጠጠው ክብልን፡ ብፍላይ ምስ ሕማም ኮሮናቫይረስ ተኣሳሲሩ፡ ዜግነቶምን ሕጋዊነቶምን ብዘየገድስ፡ ምስ ዜጋታት ማዕረ ዝግልገልሉ ናይ ጥዕና መስርሕ ክዝርጋሕ ጸዊዑ። ዛጊድ ካብ ዝተፈላለየ ኣንፈት ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ዝበጽሕ ዘሎ ጥቕዓት እናገደደ ምምጽኡ እዩ ዝዝረብ። ብፍላይ ሕዚ ድማ፡ ናብቲ ከባቢ ምግቢ ኮነ ዝኾነ ምምልላስ ስለዘይከኣል ብጥሜት ከይረግፉ ዓብዪ ስግኣት ከምዘሎ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ምንጭታት ቢቢሲ ይገልጹ። ገለ ስደተኛታት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽአሉ ምንጭታትና እመንትገልጹ፡ ሄዶን ኦሊቭያ፡ ብፍላይ ጉድኣት ዝበጽሖም ብዙሓት ከምዝኾኑ ሓቢራ። ዛጊድ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓበሬታ ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይሰመረን።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/52259998"} {"headline":"ስምምዕ ሰላም ዝፈጸማ እስራኤልን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ቀጥታዊ ርክብ ቴሌፎን ጀሚረን","content":"ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ነቲ ዝጸንሐ ሓርፋፍ ርክባተን ንምምሕያሽ ኣብ ስምምዕነት ዝበጽሓ ሃገራት እስራኤልን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፡ ኣገልግሎት ቀጥታዊ ርክብ ቴሌፎን ጀሚረን። ብዛዕባ’ዚ ዝወጸ መግለጺ ከምዝብሎ፡ ድሕሪ’ቲ ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክልቲኤን ሃገራት ቴሌፎን ብምድውዋል ሰላምታ ተለዋዊጦም’ዮም። ነቲ ብኣሸማጋልነት ኣመሪካ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ እዩ ብሓሙስ ብወግዒ ገሊጽዎ። እዚ ስምምዕ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ዓረባዊት ሃገርን ዝተገበረ 3ይ ስምምዕ እዩ። ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ስጉምቲ ብጽቡቕ መንፈስ ተቐቢልዎ። እንተኾነ፡ ፍልስጤም፣ ኢራንን ቱርክን ግን ነቲ ስጉምቲ ኮኒነንኦ። ብመሰረት እዚ ስምምዕ፡ እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ወጢናቶ ዝነበረት መሬት ናይ ምልቃብ መደባት ኣወንዚፋቶ ኣላ። ምስ ናይ ሕቡራት ዓረብ ኢማራትስ መዘንኡ ብቴሌፎን ዝተዘራረበ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ጋቢ ኣሽኬናዚ፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ ትዊተሩ ከምዝጸሓፎ፡ ክልቲኦም ወገናት ቀጥታዊ ርክብ ቴሌፎን ክጅምሩን ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ክራኸቡን ተዛራሪቦም እዮም። ሚኒስተር መራኸብታት እስራኤል ዮኣዝ ሄንደል ብወገኑ “ሕዚ ብዙሓት ቁጠባዊ ዕድላት ክኽፈቱ እዮም፤ እዞም ምትእምማን ዝፈጥሩ ስጉምትታት ድማ ኣገደስቲ እዮም” ኢሉ። ክልቲኤን ሃገተት ነቲ ዝበጽሐኦ ስምምዕ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙናት ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ክፈራረመኦ እየን። እቲ ስምምዕ ምምሕያሽ ርክባት፡ ምኽፋት ኤምባሲታት’ውን ዝሓውስ እዩ። እተን ሓድሽ ርክብ ዝጀመራ ሃገራት፡ ብቀዳም፡ ምስ ምርምር ኪቪድ-19 ዝተሓሓዝ ስምምዕ’ውን ፈጺመን። ክሳብ እዚ እዋን፡ እስራኤል ምስ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝኾነ ዓይነት ርክብ ኣይነበራን። እንተኾነ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ብዘለወን ሓበራዊ ሻቕሎት ግን ዘይወግዓዊ ርክባት ክገብራ ጸኒሐን እየን። እዚ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝተበጽሐ ስምምዕነት ንመራሕቲ ፍልስጤም ኣደንጽዩዎም እዩ። ውሃቢ ቃል ናይ ፕረዚደንት መሓመድ ኣባስ፡ እቲ ስምምዕ ምስ “ክሕደት” ዝዳረግ እዩ ኢልዎ። እስራኤል ኣብ 1948 ከም ናጻ ሃገር ካብ ትቐውም ኣትሒዙ፡ ምስ ክልተ ሃገራት ዓረብ ጥራይ እያ ስምምዕ ሰላም ፈሪማ፤ ብ 1979 ምስ ግብጺ፡ ብ 1994 ድማ ምስ ዮርዳኖስ። ኣብ ሰሜናዊ-ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብን ኣባል ሃገራት ሊግ ዓረብ ዝኾነትን ማውሪታንያ’ውን ኣብ 1999 ምስ እስራኤል ዲፕሎማስያዊ ርክባት ጀሚራ ነይራ። እንተኾነ፡ ርክባተን ኣብ 2010 ተበቲኹ እዩ። ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ካልኦት ሃገራት ዓረብ’ውን ምስ እስራኤል ስምምዓት ክፍጽማ ትጽቢት ከምዝገብር ተዛሪቡ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ድማ፡ ንገለ ክፋላት ምዕራባዊ ገማግም ናብ እስራኤል ንምውሕዋስ ዝነበሮ ውጥን ከምዝወንዘፎ፡ እንተኾነ እዚ ውጥን መሊኡ ዝተገደፈ ከምዘይኾነ ገሊጹ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53803517"} {"headline":"ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ 184 ሰባት ብሞት ቀጺዓ","content":"መቕጻዕቲ ሞት ብደረጃ ዓለም ይንክይ እኳ እንተሃለወ፡ ስዑዲ ዓረብ ግን ኣብ 2019 ጥራይ 184 ሰባት ብሞት ከምዝቐጽዐትን እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር እቲ ዝበዝሐ ከምዝኾነን ንመሰል ሰባት ዝሕለቕ ዓለማዊ ትካል ኣምነስቲ ገሊጹ። ኣብ ዒራቕ ድማ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 100 ሰባት ብሞት ዝተቐጽዑ ኮይኖም፡ ብፍርቂ እዩ ወሲኹ። ብዙሓት ሰባት ብሞት ብምቕጻዕ ግን ቻይና መወዳድርቲ የብላን ይብል ኣምነስቲ። ቻይና ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት እያ ብሞት ቀጺዓ ዝብል እምነት እኳ እንተሎ፡ ብሚስጥር ዝተትሓዘ ብምዃኑ ኣምነስቲ ብዝሒ ኣብ ቻይና ብሞት ዝተቐጽዑ ሰባት ኣይጠቐሰን። ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝተሰርዐት ኢራን፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 251 ሰባት እያ ብሞት ቀጺዓ። ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ብደረጃ ዓለም 657 ሰባት ብሞት ዝተቐጽዑ ኮይኖም፡ ምስ ናይ 2018 ክነጻጸር እንከሎ ብ 5 ምኢታዊት ነክዩ እዩ። ኢራን፣ ሰሜን ኮርያን ቬትናምን እውን፡ ሓበሬታ ስለዘይህባ ነቲ ሓፈሻዊ ብዝሒ ይሓብአኦ እየን ኢሉ እቲ ትካል። \"መቕጻዕቲ ሞት ዘጸይፍን ዘይሰብኣውን ዓይነት መቅጻዕቲ እዩ። ካብ ማእርቲ ንላዕሊ ገበን ንምክልኻል ከምዘኽእል ዘርእይ ዝኾነ መረዳእታ'ውን የለን። ነዚ ሓቂ ኸኣ ብዙሓት ሃገራት ይግንዘበኦ እየን ዘለዋ። ብደረጃ ዓለም ብዝሒ ብሞት ዝቕጽዑ ሰባት ነክዩ ምርኣይ ዘተባብዕ እዩ\" ኢላ ላዕለወይቲ ዳይረክተር፡ መጽናዕትታት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ክሌር ኣልጋር። ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብዝሒ ብሞት ዝቕጽዑ ሰባት እናወሰኸ ምምጽኡ ድማ \"ዘሰክፍ እዩ\" ኢላ። ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 178 ደቂተባዕትዮን ሽድሽተ ደቂ ኣንስትዮን ዝቐጽዐት ኮይና፡ ካብኣቶም እቶም ፍርቂ ወጻእተኛታት እዮም። መብዛሕተኦም ካብቶም ብሞት ዝተቐጽዑ፡ ምስ ሓሽሽን ቅትለትን ብዝተሓሓዝ ገበን ዝተኣሩ እዮም። እንተኾነ፡ ኣንጻር ተቓወምቲ ሺዓ ከም መሳርሒ ትጥቀመሉ ከምዘላ'ውን ኣምነስቲ ገሊጹ። ኣብ ደቡብ ሱዳን ድማ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 11 ሰባት ብሞት ከምዝተቐጽዑን፡ እዚ ድማ እታ ሃገር ኣብ 2011 ናጽነታ ካብ እትረክብ ንነዘ እቲ ዝዓበየ ቁጽሪ ምዃኑ ሓቢሩ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52364425"} {"headline":"እስራኤልን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ ‘ታሪኻዊ’ ስምምዕ በጺሐን","content":"እስራኤልን ሕቡራት ኢማራትን ዓረብን ክልትኣዊ ርክብን ናብ ንቡርን ርጉእን ኩነታት ንምምላስ ኣብ ዝሕግዝ ስምምዕ በጺሐን። ብመሰረት እዚ ስምምዕ እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ሓሲባቶ ዝነበረት መሬት ናይ ምልቃብ መደባት ኣወንዚፋቶ ኣላ። እቲ ብሽምግልና ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝተበጽሐ ስምምዕ እተን ሃገራት ‘ታሪኻዊ’ ስምምዕን ኢለን ገሊጸንኦ። ክሳብ ሎሚ እስራኤል ምስ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከባ ሃገራት ዓረብ ዝኾነ ዓይነት ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኣይጸንሓን። እንተኾነ ኣብዚ ሕጂ፡ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን እስራኤልን ካብ ኢራን ተመሳሳሊ ስግኣታት ስለ ዘለወን ዘይወግዓዊ ርክባት ክገብራ ጸኒሐን እየን። እቲ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝተበጽሐ ስምምዕ ግን ንፍሊስጤማውያን ኣቖጢዑ ይርከብ። ወሃቢ ቃል ማሕሙድ ዓባስ ነቲ ስምምዕ ‘ክሕደት’ ክብሎ እንከሎ፡ ኣምባሳደር ፍልስጤም ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብ ፍሊስጤም ክምለስ ተነጊርዎ’ሎ። ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ናታንያሁን ልዑል መሓመድ ኣላ ናህያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ‘ናይ ብሓቂ ታሪኻዊ ስምምዕ’ዩ’ ብምባል እዩ ገሊጽዎ። ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ እስራኤል ኣብ 1948 ናጽነታ ካብ እትእውጅ ምስ እስራኤል ውዕል ሰላም ዝኸተማት ሳልሰይቲ ዓረባዊት ሃገር ኮያና ኣላ፡ ግብጽን ዩርዳኖስን ኣቐዲምን ምስ እስራኤል ውዕል ሰላም ከቲመን ዝነበራ ሃገራት ዓረብ’የን። ግብጺ ኣብ 1979 ዩርዳኖስ ድማ ኣብ 1994 ምስ እስራኤል ውዕል ሰላም ክኽትማ እንከለዋ፡ ሞሪታንያ ኣብ 1999 ምስ እስራኤል ዲፕሎማስያዊ ርክባት ድሕሪ ምጅማራ ኣብ 2009 ኣደስኪላቶ። ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ “ሕጂ እቲ በረድ ተሰይሩ’ዩ፡ ብዙሓት ሃገራት ዓረብ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተኺለን ከምዝመጽኣ ድማ ትጽቢትይ’ዩ”ድሕሪ ምባል ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ዋይት ሃውስ ጽንብል ምፍርራም ከምዝካየድ ገሊጹ። ቅድሚ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ስምምዕ ናብ ማዕከናት ዜና ምሕባሩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ናታንያዩ ብቋንቋ ሂብሪው ኣብ ትዊተሩ ‘ታሪኻዊ መዓልቲ’ ኢሉ ጽሑፉ ነይሩ። ቤንጃሚን ናታንያሁ ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ሓሲባቶ ዘላ መሬት ናይ ምልቃብ መደባት ንግዚኡ ደው ከም ዘበለቶ ብምሕባር፡ እቲ መሬት ናይ ምልቃብ ሓሳብ ክዝተየሉ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ። ቤንጃሚን ናታንያሁ ብምስዓብ፡ ሃገሩ ምስ ሕበራት ኢማራት ዓረብ ብምኳን ኣብ ምርካብ ክታበት ኮሮናቫይረስ፤ ጽዓት፤ ማይን ምዕቃብ ከባብን ከምዝሰርሑ ገሊጹ። ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ልኡኻት እስራኤልን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ክልተኣዊ ስምምዓት ንምኽታም ክራኸቡ እዮም። ኣብቲ ስምምዕ ንወፍሪ፣ ቱሪዝም፣ ቀጥታዊ በረራ ነፈርቲ፣ ጸጥታ፣ ቴሌኮሙኒኬሽን፣ ቴክኖሎጂ፣ ጸዓት፣ ትሕተ ቅርጺ ጥዕና፣ ባህሊ፣ ዕቃበ ከባብን ምትካል ኢማባሲታትን ኣብ ዝብሉ ዝርከብዎም ስምምዓት ክኽትሙ’ዮም። እስራኤል ብወገና ገለ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዝርከባ መሬታ ግዝኣተይ’ዩ ኢላ ካብ ምእዋጅ ክትጸንሕ እያ። ፍሊስጤማውያን እዚ ስምምዕ ዓለምለኻዊ ሕጋጋት ዝጠሓሰን ነጻን ልኡላዊትን ፍሊስጤም ካብ ምእዋጅ ዝዕንቅጽ’ዩ ብምባል ኣጠንቂቆም ኣለዉ። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣንዋር ጋርጋሽ፡ እዚ ስምምዕ እስራኤል ገለ ክፋላት ምዕራባዊ ገማግም ከይትሕዝ ደው ብምባል ክምጽእ ዝኽእል ሓደገኛ ሳዕቤት ንክግታእ ዝሕግዝ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53775411"} {"headline":"ጀማል ካሾጊ፡ ቱርኪ ብቕትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ 20 ስዑዳውያን ከሲሳ","content":"ቱርኪ፡ ብወርሒ ጥቅምቲ 2018 ኣብ ኢስታንቡል ብዝተፈጸመ ቕትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ዝጠርጠረቶም 20 ስዑዳውያን ከሲሳ። ዓቀብቲ ሕጊ ብወገኖም ምኽትል ሓላፊ ስለላ ስዑዲ ዓረብ ዝነበረ ኣሕመድ ኣሲሪን ነበር ሓጋዚ እቲ ንጉሳዊ ስድራ ስዑዲ ኣል-ቃታኒን እቲ ቕትለት ክፍጸም ኣለዓዒሎም ዝብል ክሲ ከም ዝቐረበሎም ገሊጾም። እቶም ካልኦት 18 ጥርጡራት ተኸሰስቲ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ቖንስላ ስዑዲ \"ኮነ ኢሎም ኣረመናዊ ቕትለት\" ፈጺሞም ዝብል ክሲ ቐሪብሎም። ካብዚኦም ዋርዲያ ንጉሳዊ ስድራ ስዑዲ ዝነበረ፣ በዓል ሞያ መርመራ ፎረንሲክን ሓለፊ ስለያ ስዑዲን ዝርከቡዎም ኮይኖም፡ ምስ ወራሲ ዘውዲ ልኡል መሓመድ ቢን ሰልማን ሓቢሮም ተጓዒዞም ዝነበሩ እዮም። እዚ ኽሲ ቃል መሰኻኽር፣ ኣብ ልዕሊ ዲጂታላዊ ናውታት ካሾጊ ዝተገብረ ምጽራይን መዝገብ ናብ ቱርኪ ዝኣተውን ዝወጽኡን ሰባት መሰረት ገይሩ'ዩ ተኸፊቱ። ኤጀንስታት ስለላ ምዕራባውያን፡ ቕትለት ጀማል ካሾጊ ብትእዛዝ ልኡል መሓመድ ቢን ሰልማን ዝተፈጸመ'ዩ ኢሎም ይኣምኑ፤ ንሱ ግን ነዚ ኣይቕበሎን። ፍልይቲ ራፖርተር ሕቡራት ሃገራት ፡ \"ካሾጊ ኮነ ተባሂሉ ዝተፈጸመን ኣቐዲሙ ዝተሓሰበሉን መቕተልቲ እዩ፤ ነዚ ድማ ስዑዲ ዓረብ ሓላፍነት ትወስደሉ\" ትብል። ንዋሽንግተን ፖስት ዝሰርሕ ዝነበረ ወዲ 59 ዓመት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ፡ ፍሉጥ ነቓፊ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ'ዩ ነይሩ። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ቤት ፍርዲ እቲ ዘውዳዊ ስርዓት ምስ ቕትለት እቲ ጋዜጠኛ ብዝተሓሓዝ ሓሙሽተ ሽሞም ዘይተገልጸ ሰባት ብሞት እንክፈርድ፡ ካልኦት ሰለስተ ድማ ብማእሰርቲ ክቕጽዑ ፈሪዱ'ዩ። ጀማል ጋሾጊ ንሱ ካብ 2017 ጀሚሩ ብስደት ኣብ ኣሜሪካ እዩ ዝነብር ነይሩ። ብኽልተ ጥቅምቲ 2018 ግን ንመርዓ ዘድልዩዎ ሰነዳት ንምርካብ ኣብ ኢስታንቡል ናብ ዝርከብ ቆንስላ ስዑዲ ከይዱ ። ሕጽይቱ ኣብ ደገ ኾይና እናተጸበየቶ እንከላ፡ ወዲ 59 ዓመት ካሾጊ ኣብ ውሽጢ ተቐቲሉ፡ ኣካላቱ ተቖራሪጹ። ክሳብ ሕጂ ድማ ኣካላቱ ኣይተረኸበን። ሞት እዚ ጋዜጠኛ ዓለም ዘደንገጸ ኮይኑ፡ ፍልይቲ ራፖርተር ሕቡራት ሃገራት ኣግነስ ካላማርድ፡ ብውልቂ ልኡል መሓመድን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ስዑድን ተሓተትቲ ዘግብር ርጡብ መረዳእታ ኣይተረኸበን ኢላ። ብደረጃ ዓለም ዘይሻራውን ናጻን ምጽራይ ክካየድ እውን ጸዊዓ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52045146"} {"headline":"ስዑዲ ዓረብ፡ ካብ መሸጣ ኣቕሑት ዝኽፈል ተወሳኺ ግብሪ ብሰለስተ ዕጽፊ ኣዕቢያቶ","content":"ስዑዲ ዓረብ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዝተሃሰየ ቑጠብኣ ንምሕጋዝ ካብ ኣቅሑትን ኣገልግሎትን ዝክፈል ቐረጽ ሰለስተ ዕጽፊ ወሰኽ ከም እትገብር ኣፍሊጣ። መንግስቲ፡ እታ ሃገር ብተወሳኺ ንዜጋታት ዝወሃብ ዝነበረ ናይ ድጎማ ገንዘብ ደው ከም ዘብል ኣፍሊጡ። ለበዳ ኮሮናቫይረስ ስዒቡ ብዝመጽአ ቅልውላው ዋጋ ነዳዲ ምንካይ ስለ ዘርኣየ፡ ካብቲ ዓውዲ ትረኽቦ ዝነበረት እቶት ብዝለዓለ መጠን ነክዩ። ዕቑር ሃብቲ ነዳዲ ዘለዋ ስዑዲ ዓረብ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ቑጠብኣ ኣብ ነዳዲ ጥራሕ ዝተሞርኮዘ ንከይኸውን ብዝብል ኣብ ኣቑሑን ኣገልግሎትን ዝኽፈል ግብሪ ኣተኣታቲያ። ማዕከን ዜና እታ ሃገር ከም ዝጸብጸቦ፡ እዚ ተወሳኺ ቐረጽ [ቫት] ካብ ዝቕጽል ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ካብ 5 ሚኢታዊት ናብ 15 ሚኢታዊት ሓፍ ክብል እዩ። ካብ 2018 ጀሚሩ ናብራ ሓደ ሰራሕኛ ንምሕጋዝ ብዝብል ወርሓዊ ዝወሃብ ዝነበረ 267 ዶላር ደማ ጠጠው ክብል እዩ። \"እዞም ስጉምታት ከበድቲ ግን ድማ ምስቲ ዘለናሉ ኩነታት ኣገደስቲ እዮም። ቑጠባውን ፋይናንሳውን ድሕነት እዛ ሃገር ንምውሓስ ዝተወስዱ ስጉምታት እዮም\" ኢሉ ሚኒስትር ገንዘብ መሓመድ ኣል ጃዳን። ስዑዲ ዓረብ ካብቲ ኣታዊ እትገብሮ እተውጽኦ ገንዘብ ስለ ዝዛየደ መንግስቲ ንዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ ናይ 9 ቢሊዮን ዶላር ምጉዳል በጀት ኣጋጢሙዎ እዩ። ኣብ ውሽጢ እዘን ሰለስተ ኣዋርሕ ካብ ነዳዲ ትረኽቦ ዝነበረት መኽሰብ ብ22 ሚኢታዊት ከም ዝነከየን፡ 34ቢሊዮን ዶላር ጥራሕ ከም ዝረኸበትን ይግለጽ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52615635"} {"headline":"ስዑዲ ዓረብ፡ ሰለስተ ኣባላት ንጉሳዊ ስድራ ኣሲራ","content":"ሓው ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቦም ሰለስተ ነባራት ኣባላት እቲ ንጉሳዊ ስድራ ተኣሲሮም። ማዕኸን ዜና እታ ሃገር ከም ዝጸብጸቦ፡ ክልቲኦም ኣብቲ ንጉሳዊ ምሕደራ ዓብዪ ጽልዋ ዘለዎም'ዮም። ምኽንያት ማእሰርቲ እዞም ሰባት ብንጹር'ኳ እንተዘይተገልጸ፡ ምስ ንጉስ መሓመድ ቢን ሳልማን ዝተኣሳሰር'ዩ ተባሂሉ። ብ2017፡ እቲ ንጉስ ድሕሪ ዝሃቦ ትእዛዝ ማእሰርቲ፡ ሚኒስትራትን ሰብ ሃብትን ዝርከቡዎም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኣባላት ንጉሳዊ ስድራ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ርያድ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ሪቲዝ-ካርልቶን ተኣሲሮም ነይሮም። መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ኣብ 2016 ብወላዲ ኣቡኡ ልኡል ወራሲ ዘውዲ ምስ ተብሃለ፡ 'ምስለ' መራሕቲ እቲ ንጉሳዊ ምሕደራ ተገይሩ'ዩ ዝውሰድ። ጋዜጣታት ኒውዮርክ ታይምስን ዎል ስትሪት ጆርናልን፡ ብዓርቢ ንጉሆ ማእሰርቲ እዞም ኣባላት ንጉሳዊ ስድራ ስዑዲ ዓረብ ጽሒፈን። ምንኣስ ሓው ልኡል ወራሲ ዘውዲ ስዑዲ ዓረብ፡ ልኡል ኣሕመድ ቢን ዓብዱላዚዝ፣ ሚኒስትር ውሽጢ ዓዲ ነበር ልኡል መሓመድ ቢን ናይፍን ወዲ ሓው ልኡል ናዋፍ ቢን ናይፍን እዮም ተኣሲሮም ዘለው። መሓመድ ቢን ናይፍ፡ ኣብ 2017 ብመሓመድ ቢን ሳልማን ናይ ቤት ማእሰርቲ ቅድሚ ምእታዉን ካብ ስልጣን ቅድሚ ምልጋሱን ሚኒስትር ውሽጢ ዓዲ ነይሩ። መሸፈኒ ገጽ ዝገበሩን ጸሊም ክዳን ዝተኸደኑን ዋርዲያታት ናብ መንበሪ ገዛ እዞም ንጉሳውያን ስድራ ብምምጻእ፡ ከም ዝፈተሹ ዎል ስትሪት ጆርናል ጠቒሱ። እዚ እንድሕር ኮይኑ፡ እዚ ስጉምቲ ወራሲ ዘውዲ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ስልጣኑ ንምድልዳል ክጠቕሞ'ዩ። ልኡል ኣሕመድ ቢን ዓብደልኣዚዝ፡ ብህይወት ካብ ዘለው ውላድ መስራቲ እታ ሃገር ዝኾነ ንጉስ ዓብደልኣዚዝ ኮይኑ፡ ብነባራት ኣባላት እቲ ንጉሳዊ ስድራ ኣዝዩ ዝኽበር ሰብ'ዩ። ነባር ልኡል መሓመድ ቢን ናይፍ'ውን እንተኾነ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ብሃንደበት ካብ ስልጣኑ ቅድሚ ምእላዩ ወራሲ እቲ ዙፋን ክኸውን'ዩ ተባሂሉ ዝነበረ'ዩ። ሚኒስትር ውሽጢ ዓዲ ኮይኑ ኣብ ዝሰርሐሉ እዋን፡ ኣብ መጀመርታ ዓመታት 2000፡ ስዑዲ ዓረብ ካብ መጥቃዕቲ ኣልቃዒዳ ብምክልኻል ነቲ ጉጅለ ብምጥፍኡ ዓብዪ ሞሳ ረኺቡ'ዩ። ክሳብ ሕጂ ግን፡ ስዑዲ ዓረብ ብዛዕባ ማእሰርቲ እዞም ጽልዋ ፈጠርቲ ንጉሳውያን ስድራ ዝሃበቶ ወግዓዊ መብርሂ የለን። መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ኣብ 2016 ኣብታ ሃገር ወሳኒ ቁጠባዊ ለውጢ ከምጽእ ቃል ብምእታው ናእዳ ረኺቡ ነይሩ። ይኹን'ምበር፡ ኣብ 2018 ዘጋጠመ መቕተልቲ ፍሉጥ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾግጂ ሓዊሱ ኣብ ብርክት ዝበሉ ገበናት ከም ዝተመራስሐ ብምግላጽ ይንቀፍ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ሃገራ ተራእዩ ዘሎ ኮሮናቫይረስ [ኮቪድ-19] ንምቁጽጻር ትሰርሕ እያ ዘላ። በዚ ምኽንያት፡ ዓመታዊ ጉዕዞ ዑምራ ሓጂ ወጻእተኛታት ንግዝኡ ኸልኪላ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51780593"} {"headline":"ናይ መንግስቶም ቆላሕታ ዝሰኣኑ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት","content":"ሰብ ስልጣን ስዑድ ዓረብ ኣብ መዳጎኒ ማእኸላት እታ ሃገር ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናብ ዓዶም ዝምለስሉ ኩነታት ክፈጥሩ ከምዝግባእ ‘ሂውማን ራይትስ ዎች’ ኣተሓሳሲቡ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53780481"} {"headline":"ሚልዮናት ዝሳተፍዎ ዝነበሩ ሓጅ ብ 10 ሽሕ ሰብ ጥራይ ክሓልፍ እዩ","content":"ስዑዲ ዓረብ፡ ብሰንኪ ስግኣት ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ሎሚ ዓመት ንንግደት ሓጅ ዝመጹ ኣመንቲ ካብ ካልኦት ሃገራት ከይኣትውዋ ከልኪላ እያ። ሎሚ ዓመት ድማ ናይ ሓጅ ቪዛ ኣይሃበትን። ካልእ እዋን፡ መብዛሕተኦም ተሳተፍቲ ካብ ካልኦት ሃገራት ዓለም ዝመጹ ኣመንቲ እስልምና እዮም ነይሮም። ኣብ’ቲ ናይ ሎሚ ግን፡ ኣብ’ታ ሃገር ዘለዉ እንተዘይኮይኖም፡ ወጻእተኛታት ክሳተፉ ኣይኽእሉን። ኣብ ንቡር እዋናት ክሳብ 2 ሚልዮን ዝበጽሑ ኣመንቲ እስልምና እዮም: ኣብ’ዚ ስርዓት ዝሳተፉዎ። ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ሓጅ ግን፡ 10 ሽሕ ሰባት ጥራይ እዮም ክሳተፉ። ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ናብ መካ ዝኣተዉ ሰባት፡ መጠን ረስኖም ከምዝተዓቀኑን ምርመራ ኮሮናቫይረስ ከምዝተገበረሎምን ኣገልግሎት ዜና ኤኤፍፒ ጸብጺቡ እዩ። ኣመንቲ፡ ቅድሚን ድሕሪን ሓጅ ንርእሶም ክውሽቡ’ውን ግቡእ ኣለዎም። ኣብ እዋን እቲ ሃይማኖታዊ ስርዓት፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባር’ውን ግድን ከምዝኾነ ተገሊጹ’ሎ። ሚኒስተር ጉዳያት ንግደት ሓጅ ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ሳልሕ ቢንተን ንቴሌቪዥን ኣል-ዓረብያ ክዛረብ እንከሎ፡ ኣመንቲ ፈለማ ኣብ ገዝኦም ምስተወሸቡ፡ ብተወሳኺ ድማ ኣብ ሆቴላት መካ ንኣርባዕተ መዓልቲ ከምዝውሸቡ ገሊጹ። ኣብ ስዑዲ ዓረብ፡ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 270,000 ክኸውን ከሎ፡ ኣስታት 3,000 ሞት ድማ ኣጋጢሙ እዩ። ንግደት ሓጅ እንታይ እዩ? ንግደት ሓጅ ሓንቲ ካብተን ሓሙሽተ ኣዕኑድ እምነት እስልምና እያ። እተን ሓሙሽተ ኣዕኑድ እምነት ምስልምና፥","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53578767"} {"headline":"መጥቃዕቲ ነዳዲ ስዑዲ፡ ኣሜሪካ ስለምንታይ'ያ ነዳዲ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ሓቢኣ ዘላ?","content":"ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ፡ ድሕሪ ዝተኻየደ መጥቃዕታት፡ ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ ንህጹጽ እዋን ተዓቊሩ ዘሎ ነዳዲ ክጥቀሙ ከም ዝኽእሉ ገሊጾም። ዋጋታት ነዳዲ ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉ፡ ኣሜሪካ \"እኹል ቀረብ ንምርግጋጽ\" ነቲ ዓቊራቶ ዘላ ነዳዲ ክትጥቀመሉ ከም እትኽእል ፕረዚደንት ትራምፕ ብትዊተር ሓቢሩ። እቲ ኣብ ግዝኣታት ቴክሳስን ሎውሲያናን ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ዝርከብ ናይ ጨው በዓትታት ተዓቊሩ ዘሎ ነዳዲ፡ ልዕሊ 640 ሚልዮን በርሚል እዩ። ኩሎም ዓለምለኻዊ ትካላት ጸዓት፡ ን90 መዓልትታት ዝኸውን ነዳዲ ዝዓቑሩ እኳ እንተኾኑ እዚ ናይ ኣሜሪካ ግና ካብ ዓለም ዝዓበየ እዩ። ፖለቲከኛታት ኣሜሪካ ነዳዲ ናይ ምዕቋር ሓሳብ፡ ኣብ ፈለማ 1970ታት፡ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ሰደድ ነዳዲ እገዳ ብምግባረን ዋጋታት ነዳዲ ሰማይ ምስ ተሰቕለ እዮም ኣበጊሰምዎ። ኢራን፡ ዒራቕ፡ ኩዌት፡ ቀጠርን፡ ስዑዲ ዓረብን ዝርከብወን ኣባላት 'ማሕበር ነዳዲ ዝሰዳ ሃገራት ዓረብ' ኣብቲ ኣብ መንጎ እስኤልን ኣዕራብን ኣብ 1973 ዝተኻየደ ኲናት፡ ኣሜሪካ ንእስራኤል ብምሕጋዛ፡ ነዳዲ ናብ ኣሜሪካ ምስዳድ ከልኪለን። እቲ ንሰለስተ ሰሙናት ዝተኻየደ ኲናት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይቲ ዓመት'ዩ ኣብቂዑ። እቲ ንኻልኦት ሃገራት'ውን ዕላማ ዝገበረ እገዳ ግና ክሳብ መጋቢት 1974 ብምቕጻሉ፡ ዋጋታት ነዳዲ ኣብ መላእ ዓለም ካብ 3 ናብ 12 ዶላር ንበርሚል ክብ ክብል ምኽንያት ኮይኑ። ባይቶ ኣሜሪካ ድማ ኣብ 1975 'ስትራተጅካዊ ክዙን ነዳዲ' ክህሉ ወሲኑ። ኣብዚ እዋን እቲ ነዳዲ ኣብ ቴክሳስን ሎውስያናን ዝርከቡ ኣርባዕተ ስፍራታት ዝኽዘን ዘሎ ኮይኑ፡ ነፍሲ ወከፎም ክሳብ ሓደ ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ካብ ጨው ዝተሰርሐ ብርክት ዝበሉ በዓትታት ኣለዎም። እዚ ኣገባብ ምኽዛን ነዳዲ፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊ መሬት ዝግበር ምኽዛን ኣዝዩ ዝሓሰረን፡ ውሑስን እዩ። እቲ ዝዓበየ ኣብ ብራያን ሞንድ ጥቓ ፍሪ ፖርት ዝርከብ መኽዘን ክሳብ 254 ሚልዮን በርሚል ክሕዝ ይኽእል። ብመሰርት እቲ 13 መስከረም ዝተዘርግሐ ሓበሬታ እታ ሃገር 644.8 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ኣብቲ በዓትታት ዓቊራ ኣላ። ጸብጻባት ምምሕዳር ሓበሬታ ጸዓት ኣሜሪካ ከም ዘርእይዎ፡ ኣሜሪካውያን ንመዓልቲ 20.5 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ የሕልኹ፡ በዚ መሰረት እቲ ክዙን ነታ ሃገር ን 31 መዓልትታት ከካይዳ ይኽእል። ብመሰረት እቲ ናይ 1975 ሕጊ፡ እቲ ተኸዚኑ ዘሎ ነዳዲ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል እንተኾይኑ ቀረብ ጸዓት ብልዑል መጠን ምስ ዝሰናኸልን ፕረዘደንት እታ ሃገር ምስ ዘፍቅድን ጥራይ እዩ። እቲ ነዳዲ ብምልኡ ዘይተጻረየ ኮይኑ፡ ካብ መኽዘን ወጽዩ ናብ ዕዳጋ ክሳብ ዝቐርብ ክልተ ሳምንታት ክወስድ ይኽእል። እቲ ክዙን ነዳዲ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2011 ብምኽንያት ቀውዒ ዓረብ፡ ቀረብ ነዳዲ ኣብ ዝተሰናኸለሉ እዋን ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ ነይሩ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49724495"} {"headline":"ኣሜሪካ፡ \"ንስዑዲ ዘጥቅዑ ድሮናትን ሚሳይላትን ካብ ኢራን ዝተበገሱ እዮም\"","content":"ነቲ ብቐዳም ኣብ ልዕሊ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ዓብዪ ዕንወት ዘውረደ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ፡ ተመራሕቲ ክሩዝ ሚሳይላትን ሰብኣልቦ ነፈርቲን ካብ ውሽጢ ኢራን ከም ዝተወንጨፉ ምርግጋጻ፡ ኣሜሪካ ገሊጻ። ሰብ መዚ ኣሜሪካ ንመራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፡ እቲ መጥቃዕቲ ካብ ደቡባዊ ኢራን ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ናይቲ ወሽመጥ ከም ዝተወንጨፈ ሓቢሮም። ስርዓተ ምክልኻል ኣየር ስዑዲ ዓረብ ካብ የመን ዝመጽእ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ናብ ደቡብ ኣንፊቱ ስለ ዝነበረ ነቶም በወገን ሰሜን ዝመጹ ሰብኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ከፍሽል ከም ዘይከኣለ እቶም ሰብመዚ ተዛሪቦም። ኢራን ኣብቲ ዓለምለኻዊ ቀረብ ነዳዲ፡ ቀውሲ ኣስዒቡ ዝርከብ መጥቃዕቲ ኢድ ከም ዘይብላ እያ ትገልጽ። ምስ ኢራን ዝውግኑ ዕጡቓት ሑቲ የመን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትካላት ነዳዲ ኣብቃይቕን ኹራይስን መጥቃዕቲ ዘካየዱ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዝወንጨፍዎም ይገልጹ። እቶም ዕጡቓት ቅድሚ ሕጂ'ውን ናብ ስዑዲ ዓረብ መጥቃዕቲ ዘካየዱ እኳ እንተኾኑ፡ ሰብመዚ ኣሜሪካ ብሰንበት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ግና፡ እቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ካብ ኣንፈት ደቡብ ወይ ደቡባዊ ምዕራብ ምብጋሱ ከም ዘይኣምኑን ካብ ሰሜን ወይ ሰሜናዊ ምዕራብ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጾም ነይሮም። ፕረዚደንት ኢራን ሓሰን ሩሓኒ ብወገኑ እቲ መጥቃዕቲ ግብረመልሲ ናይ ህዝቢ የመን ምዃኑ ተዛሪቡ። ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ፡ ዋጋታት ነዳዲ ብ 20% ወሲኹ'ኳ እንተነበረ፡ እቲ ሕጽረት ከምቲ ተሰጊእዎ ዝነበረ ብዘይምዃኑ ድሒሩ ወሪዱ እዩ። ሚኒስተር ጸዓት ስዑዲ ዓረብ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ጎዲሉ ዘሎ መጠን ፍርያት ኣብ መወዳእታ ናይዚ ወርሒ፡ ናብ ንቡር ከም ዝምለስ ገሊጹ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49737746"} {"headline":"ሱዳን ካብ መዝገብ ግብረሽበራ ኣመሪካ ክትወጽእ ሱዕዲ ዓረብ ጸዊዓ","content":"ንግስነት ሱዕዲ ዓረብ፡ ንሱዳን ካብ መዝገብ \"ሃገራት ደገፍቲ ግብረሽበራ\" ኣመሪካ ንምውጻእ ትጽዕር ከም ዘላ ገሊጻ። እቲ መግለጺ፡ መራሕቲ ሱዳን ኣብ ርእሰከተማ ሪያድ ብምብጻሕ ምስ ንጉስ ሳልማን ድሕሪ ምርኻቦም'ዩ ተዋሂቡ። ኣቦመንበር፡ ልዑላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሌ\/ጀነራል ዓብደልፋታሕ ዓብደልራሕማን ቡረሃንን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር መሰጋገሪ መንግስቲ ዓብደላ ሓምዶክን ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ምብጻሕ የካይዱ ኣለዉ። ሱዕዲ ዓረብ፡ ኣብ ሱዳን \"ዓቢ ናይ ወፍሪ ፕሮጀክትታት ከትጅምር\" ምዃናን፡ \"ነቲ ዝነበረ'ውን ከተማሓይሽ\" መደብ ከም ዘለዋን ኣፍሊጣ'ላ። ሱዳን ብወገና፡ ንሱዕዲ ኣብ \"ዓለምለኻዊ መድረኻት ክትድግፋ\" ቃል ከም ዝኣተወት፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዕዲ ብትዊተር ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ገሊጹ። ሱዳን፡ ወፍሪ (ኢንቨስትመንት) ዘተባብዕ ሃዋሁ ንምፍጣር ክትሰርሕ ምዃናን፡ ሕርሻዊ ንጥፈታት ንምስፋሕ መደብ ከም ዘለዋን'ውን ካብቲ መግለጺ ንምርዳእ ተኻኢሉ። ኣብ መዝገብ ደገፍቲ ግብረሽበራ ሃገራት ምስፋራ፡ ናይ ልቓሕ ሕድገት ከይግበረላ ዝኽልክል ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF)ን ዓለማዊ ባንክን ልቓሕ ከይትረክብ'ውን ዝእግድ'ዩ። ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ድሕሪ ምውራዱ፡ ሱዕድን ኢማራት ዓረብን ናይ 3 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ንሱዳን ሂበን ኣለዋ። ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ተቓውምቲ ወገናት ብዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ንሰለስተ ዓመት ዝጸንሕ ናይ መሰጋገሪ እዋን ተኣዊጁ ይርከብ። ስልጣን ናይቲ መሰጋገሪ እዋን'ውን ኣብ መንጎ ክልቲኡ ወገናት ተመቓሪሑ ይርከብ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49964286"} {"headline":"ኤርትራ ኣብ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኮኒና","content":"ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ብ 16 መስከረም ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጽታት ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ብቐዳም ዝተኻየደ መጥቃዕትታት ብትሪ ኮኒኑ። እቲ \"ሓደገኛ\" ምዃኑ ዝገለጾ ተግባር፡ ኣብቲ ዞባ ንዘሎ ተኣፋፊ ኩነታት ዘጋድድ ምዃኑ እቲ መግለጺ ሓቢሩ። ብኻልእ ወገን፡ ኣዛዚ ወትሃደራዊ ኪዳን ሓይልታት ሰሜን ኔቶ፡ ጀንስ ስቶልተንበርግ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብቲ ዞባ ንዘሎ ወጥሪ ክጋደድ ከም ዝኽእል ተዛሪቡ። ንሱ ወሲኹ፡ ኢራን \"ነቲ ዞባ ብምልኡ ተናውጽ\" ምጽንሓ ገሊጹ። ኣሜሪካ፡ እቲ ብቀዳም ዝተኻየደ መጥቃዕትታት ዝሰዓቦ ዕንወት ዘርእይ፡ ካብ ሳተላይት ዝተረኽበ ስእልታት፡ ብሰኑይ ዘርጊሓ እያ። ፕረዚደንት ኢራን ሓሰን ሩሓኒ ግና እቲ መጥቃዕቲ ግብረመልሲ ናይ ህዝቢ የመን ምዃኑ ብምግላጽ ሃገሩ ኢድ ከም ዘይብላ ተዛሪቡ። ምስ ኢራን ዝምድና ዘለዎም ሓይልታት ሑቲ የመን፡ ሓላፍነት ናይቲ መጥቃዕቲ ወሲዶም ኣለው። ኣሜሪካ ግና፡ ሑቲ ክንድዚ ዝምዕባዩ መጥቃዕቲ ብዘይ ናይ ካልኦት ሓገዝ ከካይዱ ከም ዘይክእሉ ትገልጽ። እቲ ብስዑዲ ዝምራሕ፡ ኣብ የመን ኣንጻር ሑቲ ገጢሙ ዘሎ ወትሃደራዊ ኪዳን፡ እቲ ኣጽዋር ኢራን ንዕጡቓት ሑቲ ዘቐበለቶ ከምዝኾነ ይገልጽ። ኣዛዚ ኔቶ፡ ሚስተር ሰቶልተንበርግ \"ኩሎም ወገናት፡ ካብ ከምዚ ዝበሉ፡ ንምሉእ እቲ ዞባ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ካብ ዘለዎም መጥቃዕትታት ክቑጠቡ ንጽውዕ\" ኢሉ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49724546"} {"headline":"ኲናት የመን፡ ስዑዲ ብእትመርሖ ልፍንቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 100 ሰባት ሞይቶም","content":"ከም ሓበሬታ ዓለማዊ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል፡ ስዑዲ እትመርሖ ልፍንቲ ኣብ ቤትማእሰርቲ የመን ድሕሪ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 100 ሰባት ሞይቶም። ኣብ የመናዊት ከተማ ድሃማር ኣብ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ፡ ካልኦት 40 ብህይወት ዝተረፉ ከም ዘለው እቲ ማሕበር ይገልጽ። ንመንግስቲ የመን እትድግፍ ስዑዲ እትመርሖ ልፍንቲ ግን፡ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ መዓስከራት ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይልን'ዩ ኣዕንዩ ይብል። ምስ ኢራን ርክብ ኣለዎም ዝብሃሉ ዓመጽቲ ሑቲ ንመንግስቲ የመንን ደገፍቱን ዝዋግኡ ዘለው ሓይልታት ኮይኖም፡ ቤትማእሰርቲ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ ቦታ ከም ዘጥቅዐት ይገልጽ። ማሕበር ቀይሕ መስቀል ቅድም ኢሉ ኣብቲ ቤትማእሰርቲ ምብጻሕ ኣካይዱ ነይሩ። ሓላፊ ልኡኽ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣብ የመን ፍራን ፎውክንስተን፡ ኣብቲ ቦታ ብህይወት ዝተረፉ ሰባት ይእክብ ምንባሩ ብምግላጽ፡ ካልኦት ናይ ምርካብ ዕድሉ ግን 'ጸቢብ' ምኻኑ ሓቢሩ። ፕሬዝደንት ዓብዱራቡሕ ማንሱር ሃዲን ካቢንኡን ብዕጡቓት ሑቲ ተደፊኦም ካብ ሰንዓ ካብ ዝወጽኡሉ 2015 ጀሚሩ፡ የመን ኣብ ኲናት እያ ዘላ። ስዑዲ ዓረብ ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ሃገራት ብምትሕብባር ድማ ንፕሬዝደንት ሃዲ እናደገፈት መጺኣ ኣላ። እቲ ልፍንቲ ዳርጋ መዓልታዊ መጥቃዕቲ ኣየር ዝፍጽም ኮይኑ፡ ሑቲ ድማ ብተደጋጋሚ ናብ ስዑዲ ዓረብ ሚሳይል ይውንጭፍ። ኣብታ ሃገር ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ግን፡ 80 ሚአታዊት ህዝቢ ብከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ክጥቃዕ ገይሩ። ካብ 2016 ጀሚሩ፡ ልዕሊ 70 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ይግመት ይብል ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49547931"} {"headline":"ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ክምስርታ ተሰማሚዐን","content":"ትማሊ ሰኑይ ስዑዲ-ዓረብ እትመርሖ ኣኼባ ሚኒስተራት ወጻኢ ጒዳያት ንቀይሕ ባሕሪ ዝዳወባ ሃገራትን ወሽመጥ ዓደንን ኣብ ሪያድ ተኻይዱ። ኣብቲ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ እተን ዝተሳተፋ ሃገራት፡ ሓደ ቤት ምኽሪ ከም ዝመስረታን፡ ቻርተር ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ኣኼባ ከም ዝጸደቐን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ-ዓረብ ሓቢሩ። ብወገን ኤርትራ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝመርሖ ጉጅለ ልኡኽ ኣብቲ ኣኼባ ከምዝተሳተፈ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ገሊጹ። ንጉስ ስዑዲ ሳልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ ምስ ሚኒስተራት ወጻኢ ጒዳያት ግብጺ፡ ዮርዳኖስ፡ ኤርትራ፡ የመን፡ ሱዳንን ሶማልያን ከምኡ'ውን ጂቡትን ኣብ ርያድ ከምዝተራኸበን፡ ምምስራት ናይቲ ቤት ምኽሪ ከም ዘሐጎሶን ገሊጹ። ብመሰረት ማዕከናት ዜና ስዑዲ ዓረብ፡ እቶም ሚኒስተራት ኣብ ዝምድናን ዞባዊ ምዕባለታትን ዘተኰረ ዘተ ከምዘካየዱን ከምኡ'ውን ኣብ ጸጥታ እቲ ዞባ ከምዝተመያየጡን ገሊጸን። እዚ ኣኼባ ሚኒስተራት ሃገራት ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥን ዓደንን፡ ኣመሪካ ንላዕለዋይ ኣዛዚ ፍሉይ ኣሃዱ እታ ሃገር ጀነራል ቃስም ሱሌማኒ ድሕሪ ምቕታላ'ዩ ዝካየድ ዘሎ። ድሕሪ ምቕታል ናይቲ ጀነራል፡ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝልዓለ ወጥሪ ኣትዩ ይርከብ። ሓያሎ መራሕቲ ኢራን፡ ንሞት ናይቲ ጀነራል ሕነ ክፈድዩ ከም ዝኾኑ ኣጠንቂቖም ኣለዉ። እቲ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ዝኣዘዘ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብወገኑ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ኣመሪካን ረብሓታታን ሕነ ክትፈዲ እንተፈቲና፡ ዝኸፍአ መጥቃዕቲ ክትጽበ ኣለዋ ብምባል፡ ባህላዊን ታሪኻውን ቅርስታታ ከይተረፈ ከም ዘይንሕፎም ኣጠንቂቑ'ሎ። ኢራን፡ ኣብ ዒራቕ፡ ሊባኖስ፡ የመን ከምኡ'ውን ሶርያ ምስ ዘለው ዕጡቓት ጉጅለታት ዘይብተኽ ምሕዝነት ክትምስርት በቒዓ ከምዘላ ይንገር። ስዑዲ ዓረብ እትርከበን ብዙሓት ሃገራት ዓረብ እውን ጽልዋ ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንኽድረት ምስ ኣመሪካ ሓቢረን ክሰርሓ ጸኒሓን እየን። ብሰንኩ፡ ድማ ስዑዲ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ወታሃደራዊ ኪዳን ብምምስራት ነቶም ንገለ ክፋል የመን ተቖጻጺሮም ዝርከቡ፡ ብኢራን ይድገፉ'ዮም ዝበሃለሎም ጉጅለ ሑቲ ንምድምሳስ ኣብ የመን ወታሃደራዊ ምትእትታው ክገብረ ጸኒሐን ኣለዋ። ኤርትራውን ነቲ ወታሃደራዊ ኪዳን ምሉእ ደገፋ ብምሃብ፡ ነቲ ኣብ የመን ክካየድ ዝጸንሐ ወታሃደራዊ ስሪሒታት ንምሕጋዝ ኣብ ከባቢ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ወታሃደራዊ መዓስከር ሕቡራት ኣአንጊዳ ኣላ። ምምስራት ናይዚ ቤት ምኽሪ ድማ፡ ምስዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ወጥሪ ዝተሳሰር ክኸውን ከም ዝኽእልን፡ ነቲ ኢራን ትሓስቦ ዘላ ሕነ ናይ ምፍዳይ ሃቐናታት ኣቐዲምካ ንምክልኻል ዝዓለመ ይመስል ክብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ ናይቲ ዞባ ይግምቱ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/51024244"} {"headline":"ስለ ምንታይ መንግስቲ ኤርትራ ብተደጋጋሚ ንቐጠርን ሱዳንን ይኸስስ?","content":"ሰውራ ኤርትራ ኣብ ዝጀመረሉ፡ እቲ ንኢትዮጵያ ከም ሓንቲ 'ደሴት ክርስቲያን' ገይሩ ዝሓስብ ዝነበረ ሃጸያዊ ስርዓት ሃይለስላሰ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ኤርትራ ፈኸም ዝብል ዝነበረ ሰውራ 'እስላማዊ ምንቅስቓስ' ብምባል ተነጽሎ ክፈጥረሉ ይጽዕር ነይሩ። ኢትዮጵያ፡ ንሰዓብቲ ሃይማኖታዊ መራሒ ነብዪ መሓመድ ዕቑባ ብምሃባ ምስ ሃገራት አዕራብ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ክትሃንጽ ብፍላይ ምስ ስዑዲ ዓረብ ከኣ ካብ ነዊሕ ንግዳዊ ምትእሰሳር ከተማዕብል ሓጊዙዋ እዩ። ይኹን እምበር ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝያዳ ርክባ ምስ ኤስያን ኤውሮጳን እዩ ነይሩ። ድሕሪ ለውጢ ሚያዝያ 2018፡ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ፡ ኢሳይያስን ኣቢይን ኣብ ስዑድን ኢሜሬትን ኒሻን ተሸሊሞም። በዚ ድማ እተን ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰላም ፍሉይ ተራ ከምዘለወን ተራእዩ። ኢትዮጵያ ብማይ ናይልን ህንጸት ግድብ ሕዳሰን ምስ ግብጺ ዘየሰማምዕ ነገር እኳ እንተጸንሓን እንተለዋን እቲ ጉዳይ ብመንጎኝነት ኣመሪካ ኣብ ዘተን ልዝብን ይርከብ ብስምምዕ ክዓርፍ ከኣ ኣብ ተስፋ እዩ። ሓርነታውያን ውድባት ጀብሃን ሻዕብያን ካብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዘን ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት አዕራብ፡ ግብጺ፡ ሶርያ፡ ዒራቕ፡ የመን፡ ቐጠርን ካልኦትን ሓንሳብ ዝመውቕ ሓንሳብ ዝዝሕል ዝምድና ጸኒሑወን እዩ። ድሕሪ ኩናት ዶባት 1998-2000ን፡ ሕንገዳ ብይን ኮሚሽን ዶባት ብኢትዮጵያን፡ ብከበባ ተጻብኦ ዝተቐርቀረት ኤርትራ ኣብ ዶባት ምስ ጂቡቲ ተዋጊኣ እገዳ ምስተገብረላ፡ ሃገረ ቐጠር ከኣ ከም መሓዛ ክልቲአን ሃገራት ኣብቲ ዘሰሓሕብ ቦታ ወተሃደራታ ኣስፊራ ክትሽምግል ጽዒራ። ኣብ 2015 ወጥሪ ሃገራት ወሽመጥ ኣጋጢሙ ስዑድን ኢሜራትን ኣንጻር ቐጠር ምስ ወገና፡ እተን መሓዙት ቐጠር ዝነበራ ኤርትራን ጂቡቲን ስዑዲ ምስ እትመርሖ ሓይልታት ልፍንቲ ወጊነን። ቐጠር ከኣ ነቲ ኣብ ኣጻምእ ኣስፊራቶ ዝነበረት ዓቃቢ ሰላም ሰራዊታ ስሒባ ተኣልያ። ፖሎቲካዊ ለውጢ ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ለውጢ 2018 ኢትዮጵያ፡ ብምብራቕን ምዕራብን ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝዳወባ ሃገራት ኣብ ክልተ ቐጽሪ እየን ነይረን። ስዑዲ፡ ግብጺ፡ ጂቡቲ፡ ኤርትራ፡ የመን ምስ ስዑዲን ኢማራትን ዝመርሐኦ ልፍንቲ፡ ሱዳን ከኣ ምስተን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እጃም ዘይብለን ቐጠርን ቱርክን ከኣ ኣብቲ ኻልእ ቑጽሪ ነይረን። እቲ ለውጢ ቅድሚ ምኽሳቱ ግን ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ቐጠርን ብወገን ምዕራብ ንኤርትራ ይህድደኣ ከምዘለዋ መንግስቲ ኤርትራ መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ። ምስ ምምጻእ ኣቢይ ኣሕመድ ግን እቲ ኩነታት ተቐያይሩ። ኣይዶንጎየን ዑመር ኣልበሺር ካብ ስልጣኑ ተዓልዩ። ወጥሪ ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ከኣ ተፈቲሑ። ብድሕሪ'ዚ ኹሉ'ዩ እምበኣር መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ዓመተ 2019 ጥራሕ ንቐጠር ሱዳንን ቱርክን ዝኸስስ ተደጋጋሚ መግለጺ ዘውጸአ። እቲ ብረቡዕ 3 ሚያዚያ 2019 ዝወጽአ መግለጺ ንኣብነት፡ ቐጠርን ሱዳንን ኣንጻራ ኤርትራ ዝቐንዐ ሓባራዊ አዕናዊ ተግባራት ይሰርሓን ቱርኪ ከኣ ተሳስዮን ምህላዋን ይሕብር። እዘን ሃገራት [ብፍላይ ቱርኪ]፡ ኣብ ሱዳን ዝመደበሩ እስላማዊ ቤት ምኽሪ [መጅሊስ ሹራ ራቢጣ ዑላማእ ኤሪትሪያ] ብምድጋፍ፡ ንኤርትራ ንምንዕዓብ ይንቀሳቐሳ ከም ዘለዋ ይገልጽ። ሱዳን ግን ሽዑ ንሽዑ እያ ኣሉታ ሂባትሉ። ብድሕሪ'ዚ እውን ቐጠርን 'መሻርኽታን' ሰላም እቲ ዞባ ንምዝራግ ትሰርሕ ምህላዋ፡ ንፖለቲካውያን መራሕቲ ተቓወምቲ ስርዓት ኤርትራን መንእሰያትን መሳርዖም ብምውድዳብ ንክንዓዓቡ ከምእትድግፎም፤ ኣብ ርእሰኡ፡ ቐጠር ንሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ንምቕንጻል ስልጠናታት ትህብን ጉጅለታት ናዕቢ ትውድብ ምህላዋን ይኸስስ። ይኹን እምበር ቐጠር ምስ ኣብ ኤርትራ ዘለው ጉጅለታት ዝኾነ ዓይነት ርክብ ከም ዘይብላ ብምግላጽ፡ እቲ ክሲ 'ሓሶት'ዩ' ክትብል ነጺጋቶ። ብተወሳኺ፡ ንኣምባሳደር ኤርትራ ዓሊ ኢብራሂም ኣሕመድ ጸዊዓ፡ ነቶም ዝቐረቡ ክሲታት ዝነጽግ ሰነድ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣረኪባ። ዝምድና ኤርትራን ቐጠርን መዓስ እዩ ክሕርፍፍ ጀሚሩ ስለምንታይ እያ ግን ኤርትራ ብተደጋጋሚ ነዘን ሃገራት ትኸሰን ዘላ? ስለምንታይ'ከ ሕጂ? ዝምድና ኤርትራን ቐጠርን መዓስ እዩ ክሕርፍፍ ጀሚሩ? ዝብል ሕቶ ምላሽ ዘድልዮ እዩ። ተንታኒ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዓብዱልራሕማድ ሰይድ ኣቡሓሽም ከምኡ'ውን ሓላፊ ማእከል ኣፍሪካን ፕሮግረስን ተንታኒ ፖለቲካን ዓሊ ህንዲ እዚ ዝስዕብ መብርሂ ሂቦምሉ ኣለው። ኣብ ሓደ እዋን፡ ዝምድና ቐጠርን ኤርትራን ድሙቕ ነይሩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እውን ብተደጋጋሚ ናብ ቐጠር ይገይሽ ነይሩ። ዕርክነት መንግስታት እተን ሃገራት ምውቕ ብምንባሩ ተኸታተልቲ ፖለቲካዊ ጉዳያት እቲ ዞባ ይዛረቡሉ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ 2006 ንተቓወምቲ ምብራቕ ሱዳንን መንግስቲ ሱዳንን ዓሪቑ። እቲ ዕዉት ዕርቂ ከኣ ደገፍ ሃገረ ቐጠር ከምዝነበሮን ካብኡ ብምብጋስ ንዶባዊ ግጭት 2008 ኤርትራን ጅቡትን ንምዕራቕ ተበግሶ ከምዝወሰደት ሓላፊ ማእከል ኣፍሪካን ፕሮግረስን ዓሊ ህንዲ ይገልጽ። ኣብ 2015 ኣመሪካን ምዕራብን ዝደገፈኦ፡ ብኢራን ይድገፍ'ዩ ንዝበሃል ዕጡቕ ጉጅለ ሑቲ ንምድምሳስ ልፍንቲ ወፍሪ አዕራብ መሰበገሳ ኤርትራ ናብ ስዑዲ ዘምቢላ። ኣብ ሰነ 2017 ስዑድን ኢሜሬትን ዝርከበአን ሃገራት ወሽመጥ ኣንጻር ቐጠር እገዳ ምስ ኣወጃ ኤርትራን ጂቡቲን ምስ ቐጠር በቲኸን። ሰላም ኤርትራን ጂቡትን ከተኽብር ሰራዊታ ኣብ ሕዱድ ኣስፊራ ዝነበረት ቐጠር ከኣ ወተሃደራታ ሒዛ ተኣልያ። ዝምድና ቐጠርን ኤርትራን ብኡ ተበላሽዩ ይብል ተንታኒ ዞባ ፖለቲካ ዓብዱልራሕማን ሰይድ ኣቡሓሽም። ኣባል ልፍንቲ ዓረብ ኢሜሬት፡ ኣብ ዓሰብ መዓስከር ሰሪታ ብባሕርን ሰማይን ንሰንዓን ሑደይዳን ክትወፍር ተፈቒዱላ። መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ኣምሳይኡ ብኽራይ ክረኽቦ ዝኽእል ረብሓ ከምዝህሉ እቶም ተንተንቲ ይዛረቡ። ቐጠር፡ ነቲ ኣብ የመን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ስለዘይደገፈት፡ ስዑድን ኢማራትን ዝርከብአን ሓደ ሓደ ሃገራት ወሽመጥ፡ ቐጠርን'ሙስሊም ብራዘርሁድ' ትድግፍ እያ ብምባል ናይ ምድርን ሰማይን እገዳታት ምስ ገበራላ ቱርኪ ምስ ቐጠር ወጊና። ዝምድና ኤርትራን ቐጠርን ከኣ ሓርፊፉ። እንተኾነ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመትን መንፍቕን ከበባ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቕንያት ስዑዲያ ምስ ቐጠር ዝምድናኣ ንምምሕያሽ ርክባት ጀሚራ ምህላዋን እቲ ርክብ ንኢመራታውያን ከምዘየሐጎሶም ኣቡሃሺም ይገልጽ። ድሕሪ ለውጢ ሚያዝያ 2018 ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ተጋሂዱ። ዝምድና ሱዳንን ኤርትራን ተመሓይሹ ክነሱ መንግስቲ ኤርትራ ኣንጻር ቐጠር ተደጋገሚ ክሲ ምቕራቡ ግን እንታይ ክኸውን ይኽእል ንዝብል ሕቶ ተንተንቲ ፖለቲካ እቲ ዞባ ምናልባት ንዕርቂ ዝእምት ቆላሕታን ኣቓልቦን ዝሓትት ክኸውን ይኽእል'ዩ ዝብል ግምቶም ብምቕማጥ ጽባሕ ንግሆ እንታይ ክምዕብል ከምዝኽእል ግዜ ከርእየና እዩ ይብሉ። ቐጠር፡ ዓብላልነት ስዑድን ኢመራትን ንምምካት ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጽልዋኣ ንምስፋሕ ንእስላማዊ ክንፊ 'ብራዘርሁድ' ብምድጋፋ ናታ ዓቕሚ ንምድልዳል ብዙሕ ሜላታት ትጥቀም ምንባራ ይዛረብ ዓሊ ህንዲ። ኣብ 2011 ብቐጠር ዝድገፍ ኣኽዋን ኣልሙስሊሚን ብቀውዒ ሰውራ ኣብ ግብጺ ስልጣን ምስ ሓዘን ምስ እስላማዊ ሰልፊ ኤርትራ ክራኸብ ምስ ጀመረን ኤርትራ ከምዘይተሓጎሰትን፤ ኣብቲ ብስርሒት ፎርቶ ዝፍለጥ ጻውዒት ትግባረ ቅዋምን ለውጥን 2013 ናይ ቐጠር ኢድ ነይሩዎ ክኸውን ይኽእል እዩ ተባሂሉ ከምዝጥርጠር ይገልጽ ኣቶ ዓሊ። እንተኾነ ኣብቲ ስርሒት ኢድ ቐጠር ምንባሩን ዘይምንባሩን ምንም መረጋገጺ ኣይተረኽበን። በቲ ሓደ ሸነኽ ኤርትራ፡ ኣብ ዞባ ሃገራት ዓረብ ካብ ዘለውዋ ኤምባሲታት እቲ ኣብ ቐጠር ዘሎ ዝዓበየ ምዃኑን፤ ቐጠር ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ናይ ተጻብኦ ስጉምቲ ክትወስድ ትኽእል እያ ዝብል እምነት ከምዘይብሉ ይዛረብ። ኣብዚ እዋን እዚ ብፍላይ ዑጡቓት ሑቲ ምስ ስዑዲ፡ ስዑዲ ከኣ ምስ ቐጠር ዝርርብ ጀሚሮም ብምህላዎም እቲ ዞባ ካብ ጎንጽን ኩናትን ናብ ሰላም ገጹ ይዝንብል ብምህላው እቲ ናይ ምጥልላፍ ፖለቲካ ክሃስስ ከምዝኽእል ይግምቱ እቶም ተንተንቲ። ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ዘይከምቅድሚ ሕጂ ምስ ሃገራት ዓረብ ጥቡቕ ዝምድና ትምስርት ኣላ። ምስ ሕቡራት ዓረብ ኢመራት ክሳብ ወተሃደራዊ ስምምዕ ተፈራሪማ ኣላ። ኣብ ዕርቀ ሰላም መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ዝነኣድ ተራ ከምዝነበራ ይዝረብ እዩ። ምስ ስዑዲ እውን ምዉቕ ዝምድና ይምዕብል ኣሎ። ስዑድን ኢሜረትን ኣብ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ኢድ ከምዘለወን ስለዝንገር ንዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ እውን ጽላል እዩ። ምናልባት እውን እቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ቐጠር ዘቕርቦ ዘሎ ክስታት እታ ንኤርትራ ናይ ወደባትን መዓስከራትን ክራይ እትኸፍል ኢሜሬት ትደፋፍኦ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ ይብል ዓብደራሕማን። እታ ንፖሊሲ ቐጠር እትድግፍ ማዕከን ተሌቪዥን ኣልጀዚራ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ንሓንሳብ እውን ሓቅታቱ ዘይተረጋገጸ ንኤርትራ ዝኸስስ ዜና ትፍኑ ብምንባራ ኤርትራ ነቲ ተግባር ከም ምንዕዓብ ክትርእዮ ከምእትኽእል እቶም ተንተንቲ ርእይተኦም የቐምጡ። ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ሃገራት ንኣልጄዚራ ከም ዝፈርሕኣ ዝዛረብ ሓላፊ ማእከል ኣፍሪካን ፕሮግረስን ተንታኒ ፖለቲካን ዓሊ ህንዲ፡ \"መንግስቲ ኤርትራ ጸገማት ምብራቕ ሱዳን ክትኣልዩ እንተደሊኹም ንዓይ ሓዙ ብምባል፤ እቲ ዕርቂ ምስ ኣፈጸሞ ኤርትራ ዲፕሎማሲያዊ ጸብለልትነት ነይሩዋ። ሕጂ እውን ኣብ መዳያት ዲፕሎማሲ ስፍርኡ ንምትዕርራይን ብኡ ዝርከብ ረብሓ ንምርግጋጽን ዝገብሮ ዘሎን ክኸውን ይኽእል እዩ ይብል ዓሊ ህንዲ።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50900257"} {"headline":"ስዑዲ ዓረብ ፈላማይ ውድድር ቅልስ (ረስሊንግ) ደቂኣንስትዮ አአንጊዳ","content":"ስዑዲ ዓረብ፡ ፈላማይ ዘመናዊ ውድድር ቅልስ ደቂኣንስትዮ (ረስሊንግ) አአንጊዳ፤ እዚ ፍጻመ እታ ሃገር ኣብ ዓውዲ መዘናግዒ ዘለዋ ስጡም ሕግታት ዘፍኩስ ስጉሚ እዩ። እቲ ኣብ ሪያድ ዝተኻየደ ውድድር፡ ኣብ ዓለም ለኻዊ ውድድር ረስሊንግ (WWE) ስሙያት ዝኾና ናታልያን፡ ሌሴ ኢቫንስን ዝተራኸባሉ ነይሩ። ክልቲአን ተጋጠምቲ፡ ቅድሚ ሕዚ ይኽደንኦ ካብ ዝነበረ ቅዲ ብዝተፈለየ፡ ምሉእ ነብሰን ዝሽፍን ክዳንን ናይ ላዕሊ ካናቲራን ተኸዲነን እየን፡ ተቓሊሰን። ስዑዲ ዓረብ ንደቂኣንስትዮ ደቛሲ (ዓፋኒ) ሕጊ ካብ ዘለወን ሃገራት እታ ቀንዲ ከምዝኾነት ክግለጽ ጸኒሑ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ድማ፡ ነዚ ኣብ ዓለም ዘለዋ ሕማቕ ምስሊ ንምዕራይ፡ ምምሕያሽ ትገብር ኣላ። መንግስቲ እታ ሃገር፡ ደቂ ኣንስትዮ መኪና ንከይዝውራ ንነዊሕ ዓመታት ይኽልክል ንዝነበረ ሕጊ፡ ኣብ 2018 እዩ ኣልዩዎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ'ውን፡ ደቂ ኣንስትዮ ስዑዲ ዓረብ፡ ብዘይ ፍቃድ ወዲ ተባዕታይን መጕዚትን ንክጓዓዛ፣ ፓስፖርት ክወሃባን፡ ብዘይፍቓድ ወዲ ተባዕታይ ካብታ ሃገር ብነጻነት ክወጻን ክንቀሳቐሳን ምፍቃዱ ይዝከር። ይኹን'ምበር ሕዚ'ውን ደቂ ኣንስትዮ እታ ሃገር፡ ኣብ ትሕቲ ብርክት ዝበሉ ቀየድቲ ሕግታት እየን ዝነብራ። እዚ ለውጢ ንክመጽእ ንመሰል ደቂኣንስትዮ ዝተሓለቓ ብርክት ዝበላ ንጡፋት'ውን፡ ተኣሲረንን ተኸሲሰንን እየን። ገሊአን'ውን ብዘይ መረዳእታ፡ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ከምዝተሳቐያ ይግለጽ። እዚ ብሓሙስ፡ ኣብ ሪያድ ዓለም-ለኻዊ ስታድየም 'ኪንግ ፋኣድ ዝተኻየደ ግጥም፡ ኣካል እቲ ብዓለም-ለኻዊ ውድድር ቅልስ (ረስሊንግ WWE) ዝካየድ እዩ። ዓለም-ለኻዊ ስታድየም 'ኪንግ ፋኣድ 68 ሽሕ ተመልከትቲ የአንግድ። ብተወሳኺ ሻምፒየን ጉስጢት ነበር ታይሰን ፌሪ፡ ምስ ብራውን ስትሮውማን ገጢሙ ተዓዊቱ። ምስ ሌሴ ኢቫንስ ዝተቓለሰት ናታልያ እውን፡ ተዓዋቲት ናይዚ ውድድር ኮይና። ድሕሪ እዚ ግጥም፡ ክልቲአን ተቓለስቲ፡ ምስ ደቂኣንስትዮ ኣድነቕተን ብምትሕቑቛፍ፡ ስእሊ ተሳኢለን እየን። ሌሲ ኤቫንስ ናብቲ ውድድር ቅድሚ ምእታዋ፡ \"ንዓለም-ለኻዊ ውድድር ቅልስ (ረስሊንግ፡ WWE) ክፍርም ከለኹ፡ ብዝኸኣልክዎ ንዓለምን ንሰባትን ንምጽላው እዩ ነይሩ ዕላማይ፡ በብዕለቱ ድማ ንሰርሕ ኣለና\" ክትብል ኣብ ትዊተር ጽሒፋ ነይራ። ናታልያ ብወገና፡ ቅድሚ እቲ ውድድር \"ዓለም ክርእየና እዩ። ጽባሕ ኣብ ዝካየድ ዓለም-ለኻዊ ውድድር ረስሊንግ፡ ንምድብ ደቂ ኣንስትዮ ወኪለ ስለዝሳተፍ ኩርዓት እስመዓኒ\" ብምባል መጋጥምታ ሌሲ፡ ነቲ ውድድር ክትዳሎ ኣብ ትዊተር ጽሒፋ ነይራ። ምስ ሺሳሮ፡ ዝገጥም ስዑዳዊ ተቓላሳይ (wrestler) መንሱር ድማ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ስድርኡ፡ ነቲ ውድድር ብቐጥታ ንምክትታል ከምዝተሃንጠዋ ብምሕባር፡ ቅልስ ክጅምር እንከሎ፡ ብዙሓት ሰባት 'ደቂኣንስትዮ ኣብዚ ዝወዳደራ'ዶ ይመስለካ?' ዝብል ሕቶ የቕርብሉ ምንባሮም ተዛሪቡ። \"ርግፀኛ እየ ነይረ፡ ምኽንያቱ ኣብዚ ክዓቢ ከለኹ፡ ኣብ ደቂኣንስትዮን ደቂተባዕትዮን ዝነበረ ኣመለኻኽታ፡ ድሩት እዩ ነይሩ፤ ኣብ ስታድየም ብሓደ ኮፍ ኢልካ ስፖርት ምርኣይ እሞ ኣይንቡርን። ሕዚ ግና መኪና ዝዝውራ ደቂኣንስትዮ ኣለዋና። ተመሊሰ ብዝመጻእኹ ቁጽሪ፡ ኣብዛ ሃገር ዝርእዮም ለውጥታት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም፤ ኣብዚ ተዋዳዳራይ ብምዃነይ ድማ ኩርዓት እስመዓኒ\" ኢሉ መንሱር።","category":"ስዑዲ ዓረብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50259508"} {"headline":"ልዕሊ 30 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዘስካሕክሕ ኩነታት ማእሰርቲ ይርከቡ - ኣምነስቲ","content":"ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ የብሎምን ዝተብሃሉ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ልዕሊ ዓቐን ተዳጒኖም ኣብ ሕሰም ከምዝርከቡ ኣፍሊጡ። እቲ ዓለምለኻዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ እቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ልዕሊ 30 ሽሕ ከምዝኾኑ ኣመልኪቱ። ብተወሳኺ፡ ሰበ ስልጣን ስዑዲ ዓረብ \"ኣማኢት ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ንዘይተወሰነ እዋን ብኢሰብኣውን ጨካንን ኣተሓሕዛ ድሕሪ ምእሳሮም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከገድድ እዮም\" ክብል'ውን ገሊጹ። ኢትዮጵያውያን ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ስለዘይብሎም ከምዝሳቐዩን፡ እዚ ኩነታት ድማ በቲ \"ጨቋኒ\" ስርዓት ስዑዲ ዓረብ ምልመላ ሰራሕተኛታት 'ካፋላ' ከም ዝተጋደደ ድማ ኣመልኪቱ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣብ ጸብጻቡ፡ እቶም ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ስደተኛታት ብዘይፍቓዶም ኣብ ኣል-ካራጅን ኣል-ሹማይሲን ኣብ ዝበሃሉ ልዕሊ ዓቐን ጽዑቕ ኣብያተ ማእሰርቲ ይእሰሩ ከምዘለዉ ሓቢሩ። ሓላፊት ዞባ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሄባ ሞራየፍ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዘስካሕክሕ ኩነታት ከምዝሓለፉ ብምግላጽ፡ \"ብዙሓት ካብኣቶም ከቢድን ነባሪን ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጸገማት ኣጋጢምዎም'ዩ\" ኢላ። \"ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 30 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት ተታሒዞም ተመሳሳሊ ዕጫ የጋጥሞም ኣሎ። ሓደ ሰብ ሕጋዊ ሰነድ የብሉን ማለት ሰብኣዊ መሰሉ ይኽልከል ማለት ኣይኮነን\" ትብል ሄባ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝተፈጸመ ስቅያትን ብውሕዱ 10 ሞት ስደተኛታትን ክምርምሩ ንሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ሓቲቱ። ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ብዘይ መንበሪ ሰነድ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛ ሰራሕተኛታት ኣሲሮም ናብ ኢትዮጵያ ንምምላስ ጎስጓስ ከካይዱ ጸኒሖም እዮም። ሰነዳት ዘይብሎም ወጻእተኛ ሰራሕተኛታት ኣብ ትሕቲ \"ጨቋኒ ስርዓት ስዑዲ ካፋላ\" ሕጋውያን ክኾኑ ኣይፍቀደሎምን እዩ። ብተወሳኺ ካብቶም ሕጋዊ ሰነዳት ሒዞም ዘሳቕይዎም ኣስራሕቲ ዘምልጡ ሰራሕተኛታት እንተኾይኖም ሕጋዊነቶም ከምዝስእኑ ይፍለጥ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብስዑዲ ዓረብ 10 ሚልዮን ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ከምዘለዉ ዘመልከተት ኣምነስቲ፡ ብፍላይ ንመከራ ተቓላዕቲ እዮም ንዝበሎም ኢትዮጵያውያን ትኹረት ሂቡ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ብተወሳኺ መንግስታት ኢትዮጵያን ስዑዲ ዓረብን ኣብ 2022 ብውሕዱ 100 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ናብ ሃገሮም ንምምላስ መደብ ከምዘለዎም እቲ መግለጺ ኣመልኪቱ። ስዑዲ ዓረብ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዝሓሸ ስራሕን ናብራን ንምድላይ ብሓደገኛ መንገዲ ዝስደዱለን ሃገራት ኮይና፡ ብዘይካ’ቲ ኣብ መንገዶም ዘጋጥሞም ሓደጋታት፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ መዕለቢኦም’ውን ጸገማት የጋጥሞም እዩ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ፡ ብነጋዶን ሓለውቲ ዶባትን ከምዝተቐትሉን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብሓደገኛ ባሕርን በረኻታትን እናተጓዕዙ ብጥሜትን ጽምእን ከምዝሞቱን ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw0jzw52039o"} {"headline":"ብሰንኪ ዓሌታዊ ጸርፊ ዝተቛረፀ ኣኼባ ላዕለዋይ ባይቶ","content":"ኣብ ሞንጎ ኣኼባ ላዕለዋይ ባይቶ ፈረንሳ፡ ማርተን ቢሎንጎ ዝተብሃለ ጸሊም ኣባል ባይቶ ብዛዕባ ስደተኛታት ሓሳቡ እናሃበ እንከሎ፡ ካልእ ኣባል ሕሉፋት የማናውያን “ናብ ኣፍሪቅኦም ክምለሱ ኣለዎም” ድሕሪ ምባሉ እቲ ኣኼባ ብዕግርግር ከምዝተቋረጸ ተገሊጹ። ነቲ ዕግርግር መገበሲ ዝኾነ ዘረባ ዝተዛረበ ግሮገርየ ዲ ፋፈርናስ፡ ነቶም ንባሕሪ ኣቋሪጾም ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኣውሮጳ ዝኣትዉ ዘለዉ ስደተኛታት’ምበር ነቲ ዝዛረብ ዝነበረ ማርተን ቢሎንጎ ዓሊሙ ከምዘይተዛረበ ድሒሩ መግለጺ ሂቡ። ኣብ ፈረንሳ ተወሊዱ ዝዓበየ ኣባል ባይቶ ማርተን ቢሎንጎ ነቲ ዘረባ ‘ዘሕፍር’ዩ” ክብል ነቒፍዎ። ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፈረንሳ ኢሊዛቤት ቦርነ ብወገና ንዘረባ ግሮገርየ ዲ ፋፈርናስ ብምኹናን “ንዓሌትነት ዝኸውን ቦታ የለን” ዝብል መልሲ ሂባ። ሃገራዊ ባይቶ ፈረንሳ ሎሚ ኣማስይኡ ብምእካብ ኣብ ልዕሊ ነቲ ዕግርግር መበገሲ ዝኾነ ግሮገርየ ዲ ፋፈርናስ  እንታይ እግዳ ከምዝግበረሉ ውሳነ ከመሓላልፍ ምዃኑ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ፈረንሳ ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ። ማርተን ቢሎንጎ ኣብ እዋን ኣኼና ብዛዕባ እታ 234 ስደተኛታት ጽዒና ናብ ወደባት ፈረንሳን ጣልያንን ከይትጽጋዕ ተኸልኪላ ዘላ 'ኤስኦኤስ' ተባሂላ እትጽዋዕ ካብ ባሕሪ ስደተኛታት ንምድሓን እትንቀሳቐስ መርከብ ናብ ወደብ ፈረንሳ ንክትጽጋዕ ፍቓድ ንኽውሃባ ኣብ ዝሓተሉ ዝነበረ ግዜ’ዩ ኣብ ሞንጎ ዘረብኡ ግሮገርየ ዲ ፋፈርናስ “ናብ ኣፍሪቅኦም ክምለሱ ኣለዎም” ክብል ብዓውታ ተዛሪቡ። ኣፈጉባኤ እቲ ባይቶ መን ከምዝተዛረበ ኣብ ዝሓተተትሉ ብዙሓት በቲ ዓሌታዊ ዘረባ ዝተቖጥዑ ኣባላት ባይቶ ‘ውጻእ ውጻእ” ዝብል ዘረባ ከስምዑ ጀሚሮም። ማርተን ቢሎንጎ ብወገኑ “ሕጂ ኸኣ ብሕብሪ ቆርበተይ ጀሚርኩም፡ ኣነ ኣብ ፈረንሳ ተወሊደ ዝዓበኹ ኣባል ባይቶ’የ” ኢሉ። እቲ ዕግርግር ስለዝነሃረ ግን ኣፈጉበኤ እቲ ኣኼባ ክቋረጽ ወሲና። ግሮገርየ ዲ ፋፈርናስ፡ ነቶም ኣብታ መርከብ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣመልኪቱ ከምዝተዛረበ ብምሕባር ነብሰ ምክልኻል ክገብር’ኳ እንተፈተነ እቲ ዕግርግር ግን ክሃድእ ኣይክኣለን። ንስለ'ቲ ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ግን ይቕሬታ ሓቲቱ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cnkjdwxz5xxo"} {"headline":"ኣመሪካ፡ መረጻ ፍርቂ እብረ ስለምንታይ ልዕሊ ዝዀነ እዋን ኣገዳሲ ኰይኑ?","content":"መረጻታት ፍርቂ እብረ ኣመሪካ ኣዝዮም ኣገደስቲ እዮም። ኣብዚ መረጻ ንዅሎም መናብር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ሲሶ መናብር ሰነት፡ ብኣሻሓት ዝቝጸሩ መናብር ሓገግትን ፈጸምትን ግዝኣታት ንምሓዝ ውድድር ክካየድ እዩ። ስሙ ከምዝሕብሮ መረጻታት ፍርቂ እብረ፡ ኣብ ፍርቂ ዘመነ ስልጣን እቲ ፕረዚደንት ዝካየዱ ኰይኖም፡ ዋላ'ኳ እቲ ፕረዚደንት ዝወዳደረሉ እንተዘይኰነ፡ ኣብተን ዝተረፋኦ ክልተ ዓመታት እንታይ ይሰርሕ ንዝብል ኣዝዩ ዝጸሉ እዩ። ስምምዕ ዘይብሉ ባይቶ፡ እቲ ፕረዚደንት ንዘሕልፎም ሕግታትን ንከም ዳይና ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝህቦ ሽመትን ከተዓናቕፍ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን እቲ ሳዕቤናት በዚኦም ጥራይ ዘብቅዕ ኣይኰነን፤ ካብ ኣመሪካ ዝሓልፍ እዩ። ናይዚ ዓመት መረጻ ድማ ዝያዳ ትዅረት ዝሰሓበ ኰይኑ ኣሎ፤ ስለምንታይ? “ህዝቢ ዓለም ንመረጻ ኣመሪካ ዝከታተሎ፡ ኣመሪካ ካብ ሃገራ ወጻኢ ንእትገብሮ ነገራት ስለዝውስኖ እዩ” ትብል ኣብ ትካል ፖሊሲ ቻታም ሃውስ፡ ዳይረክተር ፕሮግራም ኣመሪካ  ዶ\/ር ለስሊ ቪናጃሙሪ። “ተወዳደርቲ ዲሞክራትን ሪፐብሊካንን ኣብ ወሰንቲ ጉዳያት ኣዐርዮም ዝጻረሩ ኣረኣእያታት ስለዘለዎም እዩ፡ እዞም መረጻታት ካብ ካልኦት መረጻታት ንላዕሊ ኣገደስቲ ዝገብሮም፡” ትብል። እቲ ኣብ ዝመጽእ 8 ሕዳር ዝካየድ መረጻ፡ ኣብዞም ዝስዕቡ 6 ጉዳያት ጽልዋ ክህልዎ እዩ። “ክሳብ ዝዝክሮ ንደቂ ኣንስትዮ ኣመሪካ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ መረጻ እዩ” ንትካል ስዊንግ ለፍት እትጕስጉስ ያስሚን ራጂ። ዳይረክተር ሓደ ኣብ ምጣነ ስድራ ዝሰርሕ ትካል ዝነበረት ኢራናዊት ኣመሪካዊት ራጂ፡ እዚ መረጻ “ንመሰል ስርዓተ ጾታና ንድሕሪት ንምምላስ ንዝፍትኑ ሕሉፋት” ብድምጺ እንቃለሰሉ መረጻ ክኸውን እዩ ትብል። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ፡ ነቲ ኣብ 1973 ዝወጸ ነፍሰ ጾራት ኣብ ናይ መጀመርታ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥንሲ ክሰዳ ዘፍቅድ፡ ብ ሮይ ኤንዲ ዋዲ ዝፍለጥ ሕጊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ከምዝሰረዞ ዝዝከር እዩ። ውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ፡ ሕድሕድ ግዝኣታት ኣመሪካ ምንጻል ጥንሲ ክኽልክላ ወይ ከጥብቓ ዝወሰነ ኰይኑ ዛጊድ 13 ግዝኣታት ተፈጻሚ ገይረናኦ። እዚ ድማ ኣብቶም ኣብ ፍርቂ እብረ ዝካየዱ ጐስጓሳት ምረጹኒ ኣመሓደርቲ ግዝኣታት፡ ጉዳይ ምንጻል ጥንሲ ኣገዳሲ ጉዳይ ገይርዎ። ሓሳብ ሰባት ንምፍላጥ ዝእከቡ ድምጽታት፡ ደገፍቲ ሪፐብሊካን ኣንጻር ምንጻል ጥንሲ ዘቕነዐ ዝያዳ ድልየት ከምዘለዎም ዘመልክቱ እዮም። ኣብ ከም ካሊፎርኒያ፡ ኬንታኪ፡ ሞንታናን ቬርሞንትን ዝኣመሰላ ግዝኣታት ዲሞክራት እንተተሳዒሮም፡ ምንጻል ጥንሲ ብሓደ ለይቲ ክኽልከል ይኽእል እዩ እትብል ራጂ፡ ብተመሳሳሊ ዲሞክራት ኣብ ኮንግረስ እንተተሳዒሮም “ሪፐብሊካን ብደረጃ ሃገር ንምንጻል ጥንሲ ናይ ምኽልካል ውጥን ኣለዎም፡” ትብል። ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ስዒቡ፡ ኣመሪካ ንዩክረይን እትህቦ ሓገዝ፡ ክልቲኦም ውድባት ዝተሰማምዕሉ ጉዳይ ኰይኑ፡ ዶ\/ር ቪንጃሙሪ ብወገና ፖሊሲ ወጻኢ ኣመሪካ፡ ክልቲኦም ሰልፊታት ኣብ ወሰንቲ ጉዳያት ወጻኢ ካብ ዝፈላለዩሉ ዝሰማምዑሉ ከምዝበዝሕ ትኣምን። ኰይኑ ግን እዚ ተመሳሳሊ ቅዋም ዝሕዘሉ ዓውዲ ኣብ ቀረባ ክልወጥ ከምዝኽእል ምልክታት ኣለዉ። ኣብ መረጻ ኮንግረስ ሪፐብሊካን እንተ ተዓዊቶም ንዩክረይን ዝወሃብ ድጋፍ ክቕጽል ብዛዕባ ምዃኑ ሰክፍታ ከምዘለዎ ፕረዚደንት ባይደን ዕላዊ ገይሩ እዩ። ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ መራሒ ሪፐብሊካን ዝዀነ፡ ኬቨን ማካርቲ፡ ውድቡ እንተተዓዊቱ፡ ንዩክረይን ዘይተኣደነ ገንዘብ ከምዘይህቡ ምግላጹ ዝዝከር እዩ። “ብፍላይ ካብ ወተሃደራዊ ሓገዝ ወጻኢ፡ ንዩክረይን ዝምልከት ፖሊሲ እንታይ ከምዝኸውን ክንርኢ ኢና” ይብል ምሁር ፖለቲካዊ ስነፍልጠት ዶ\/ር ፒተር ፊን። ምምሕዳር ባይደንን ትራምፕን ኣብ ጉዳይ ክሊማ ዘለዎም መርገጽ ዝወዳደር ኣይኰነን፤ ዶናልድ ትራምፕ ንስምምዕ ፓሪክ ክነጽጐ እንከሎ፡ ምምሕዳር ባይደን ግን ለውጢ ክሊማ ንምክልኻል ኣገደስቲ ሕጊታት ኣጽዲቑ። “ሪፐብሊካን ብዙሓት ንክሊማዊ ለውጢ ዝኽሕዱ ኣባላት ከምዘለዉዎ ዘጠራጥር ኣይኰነን” ትብል ዶ\/ር ቪንጃሙሪ። “ብፍላይ ብዙሕ ወጻኢ ዝሓትት እንተኰይኑ፡ ነቲ ንክሊማ ዝሰማማዕ ሕጊ ካብ ከቐጽልዎ ክኽልክልዎ ተኽእሎ ኣሎ።\" ጉዳይ ፍልሰት ካብቶም ንኣመሪካውያን ዘገድስዎም ነጥቢታት ሓደ እዩ። ፒው ሪሰርች ዝተባህለ ርእይቶ ህዝቢ ዝእክብ ትካል ኣብ ቀረባ ዕላዊ ከምዝገበሮ፡ ካብ ሰለስተ ኣድመጽቲ ደገፍቲ ሪፐብሊካን እቶም ክልተ ጉዳይ ስደት “ኣዝዩ ኣገዳሲ” ከምዝዀነ ይኣምኑ። ኣብቲ ብ 8 ሕዳር ዝካየድ መረጻ ሪፓብሊካን እንተስዒሮም፡ ኣብ ጉዳይ ስደት ጥቡቕ ሕጊ ክተኣታቶ ተኽእሎ ኣሎ። መረጻ 2022 ኣብ ታሪኽ ፖለቲካ ኣመሪካ ዝለዓለ ምክፍፋል ኣብ ዝተራእየሉ እዋን እዩ ዝካየድ ዘሎ። ትራምፕ ኣብቲ ኣብ 2022 ዝተኻየደ መረጻ፡ ድምጺ ተሰሪቝኒ ዝብል ክሲ መርትዖ ዘይብሉ ክሲ ኣቕሪቡ ምንባሩ ይዝከር። ትራምፕ ሕጂ'ውን ኣብ ደምበ ሪፓብሊካን ጸላዊ ሰብ እዩ። “ትራምፕ ኣብ 2024 ደጊሙ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ሕልሚ ኣሎዎ፤ ስለዚ ዝድግፎም ተወዳደርቲ ዝረኽብዎ ውጽኢት ነቲ ዘለዎ ውጥን ኣገዳሲ እዩ’ ይብል ዶ\/ር ፊን። “እዞም መረጻታት ብዛዕባኡ እዮም።” እዚ መረጻ ድሕሪ እቲ ኣብ ጥሪ 2021 ኣብ ካፒቶል ዝተኻየደ ናዕቢ ደገፍቲ ትራምፕ ዝካየድ ዘሎ ፈላማይ መረጻ እዩ። “መወዳእታ እዚ መረጻ፡ ጉዳይ ዲሞክራሲ ኣብ ኣመሪካ እዩ፤ ክቕጽል ድዩ፡ መረጻታት ነጻን ፍትሓውን ክዀኑ ይኽእሉ ድዮም ዝብል እዩ” ትብል ዶ\/ር ቪንጃሙሪ። ካብቶም ትራምፕ ዘቕረቦም ኣማኢት ተወዳደርቲ እቶም ዝበዝሑ፡ ነቲ ኣብ 2020 ትራምፕ ተዓዊቱ ነይሩ ዝብል መሰረት ዘይብሉ ምጕት ዝደግሙ ከምዝዀኑ እዮም ተንተንቲ ዝገልጹ። ካብ 1946 ጀሚሩ ሰልፊ ናይቲ ፕረዚደንት፡ ኣፈጻጽማኦም ክግምገም እንከሎ ኣብ ፍርቂ እብረ እቲ ዝተሓተ እዩ። ንባይደን ዝምልከት ድማ፡ 40 ሚእታዊት ኣመሪካውያን ጥራሕ እዮም ውድብ ዲሞክራት ጽቡቕ ኣፈጻጽማ ከምዘለዎ መረጋገጺ ዝሃቡ። ፋይቭ ሰርቲአይት ዝተባህለ ኣመሪካዊ ድሕረ-ገጽ ኣብ ዝኣከቦ ሓበሬታ፡ ሪፓብሊካን ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዲሞክራት ገልቢጦም ዝበዝሕ ድምጺ ክሕዙ ከምዝኽእሉ ዝግምት ኰይኑ ኣብ ሰነት ግን ዲሞክራት ከምዝዕወቱ ተነብዩ። ነቲ ፕረዚደንት ግን ዓወት ሰነት እዩ ዘገድሶ። ምኽንያቱ ላዕለዋይ ዳይና ሓዊሱ ሽመት መንግስታዊ ሰብመዚ ዘጽድቕ ሰነት እዩ። እንተዀነ ሪፓብሊካን ዝበዝሕ መናብር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እንተተቘጻጺሮም፡ ነቲ ኣባል ዲሞክራት ዝዀነ ፕረዚደንት ዓበይቲ ሕግታት ከጽድቕ ዕንቅፋት ክዀንዎ ይኽእሉ። ብተወሳኺ ነቲ ናዕቢ ካፒቶል ከጻሪ ዝቘመ ኮሚተ ክብትንዎን ኣብ ልዕሊ ባይደን ናይ ባዕሎም ምርመራ ክገብሩን ስልጣን ክረኽቡ ይኽእሉ። ስለዚ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ለውጢ እንተተፈጢሩ፡ ኣብ ዋሽንግተን ዘሎ ሓይሊ ስልጣን ክቀያየርን ኣመሪካ ምስ ደጋዊ ዓለም ኣብ ዘለዋ ርክባት ጸቕጢ ክፈጥርን ይኽእል እዩ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ckv2kn9nk92o"} {"headline":"ሕቡራት ሃገራት፡ ጉዳይ'ቶም ዕርቃኖም ዝወጸ 92 ስደተኛታት ከምዘጕሃዮ ገሊጹ","content":"ኤጀንሲ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ብኵነታት'ቶም ኣብ ዶብ ግሪክን ቱርክን ዕርቃኖም ወጺኡ ዝተረኸቡ ኣስታት 100 ስደተኛታት ደቂ ተባዕትዮ ኣዝዩ ከምዝሓዘነ ገሊጹ። ብሰንኪ'ቲ ኣብቶም 92 ስደተኛታት ዘጋጠመ ክስተት ክልቲአን ሃገራት ይካሰሳ ኣለዋ። ግሪክ፡ ‘ተግባር ቱርኪ ንስልጣነ ዘሕፍር እዩ’ ክትብል ከላ፡ ቱርኪ ብወገና ነቲ ክሲ “ስኑዕ ዜና” ብምባል ንጐረቤታ “ብጭካነ” ትኸስስ። ክልቲአን ሃገራት ሓድሕደን ይካሰሳ ኣብ ዘለዋሉ፡ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ምርመራ ክካየድ ብምጽዋዕ “በቶም ዘሰንብዱ ጸብጻባትን ኣሳእልን ኣዝየ ሓዚነ” ኢሉ። ፖሊስ ግሪክ ብዓርቢ ምስ ቱርኪ ኣብ ዘዋስን ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር፡ ጥራሕ ዝባኖም ገሊኦም ድማ መጕዳእቲ ዘጋጠሞም 92 ሰብኡት ከምዘድሓነ ገሊጹ ኣሎ። ምስ ኤጀንሲ ዶባት ኣውሮጳ ብሓባር ኣብ ዘካየድዎ ምርመራ፡ እቶም ስደተኛታት ካብ ቱርኪ ብጀልባ ናብ ግሪክ ምስጋሮም ከምዘረጋገጹ ሓቢሮም። እቶም ስደተኛታት ብቕልጡፍ ክዳን፡ ምግብን ቀዳማይ ረድኤት ሕክምናን ክረኽቡ ከምዝተገበረ እውን ሰብመዚ ግሪክ ገሊጾም። ክዳውንቲ ናይቶም ካብ ኣፍጋኒስታንን ሶርያን ዝተበገሱ ስደተኛታት ንምንታይን ብኸመይን ከምዝተገፈፈ ዝተፈለጠ ነገር የለን። እቶም ስደተኛታት ብወተሃደራውያን መካይን ቱርኪ ናብ ዶብ ግሪክ ከምዝገዓዙ ምግላጾም ዝሓበረ ሓደ በዓል ስልጣን ግሪክ፡ እታ ሃገር፡ “ዘይሕጋዊ ስደት ከም መሳርሒ ትጥቀም ኣላ” ክብል ከሲሱ። ላዕለዋይ ሓጋዚ ፕረዚደንት ቱርኪ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ብኣንጻሩ፡ ካብ ግሪክ ዝቐረበ ክሲ ብምንጻግ በቲ “ሰብኣውነት ዝጐደሎ” ዝበሎ ተግባር ንግሪክ ወቒሱ። ግሪክ፡ ጐረቤታ ነቲ ኣብ 2016 ዋሕዚ ስደተኛታት ክትዓግትን ብኣንጻሩ ቢልዮን ዶላራት ክኽፈላን ምስ ሕብረት ኣውሮጳ ዝኣተወቶ ስምምዕ ክተኽብር ጸዊዓ ኣላ። እታ ሃገር ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምክልኻል ምስ ቱርኪ ኣብ ዘዋስና ዶብ ኣስታት 40 ኪሜ ሓጹር ከምእትሃንጽ እውን ኣፍሊጣ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c2xzz0rlzmmo"} {"headline":"ኣብ ዶባት ሞሮኮን ስጳኛን እንታይ'ዩ ዘጋጥም ዘሎ?","content":"ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ፖሊስ ሞሮኮን ስጳኛን ካብ ሞሮኮ ናብ ኣውሮጳ ንዝሰግሩ ኣፍሪቃውያን ሰደተኛታት ብበትሪ እናቐጥቀጡ ዘርኢ ቪድዮታት ምስተርግሐ ንብዙሓት ኣሰንቢዱ እዩ። ኣብቲ ሽዑ እዋን 24 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ብዙሓት ድማ ሃለዋቶም ከምዘይተረኸበ ተፈሊጡ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw4nw07vjjjo"} {"headline":"ሓዳስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ዋሕዚ ስደተኛታት ደው ከምእተብል ገሊጻ","content":"ሓዳስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ጆርጅያ ሜሎኒ፡ ንኣባላት ባይቶ ሃገራ ኣብ ዘስምዓቶ መደረ፡ ንዋሕዚ እቶም ማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ኢጣልያ ዝኣትዉ ስደተኛታት ደው ከተብሎ ምዃና ገሊጻ። እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር፡ ነተን ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ተበጊሰን ስደተኛታት ጽዒነን ናብ ሃገራ ዝኣትዋ ጀላቡ ደጋጊማ እናጠቐሰት “ዘይሕጋዊ ስደትን ምስግጋር ደቂ ሰባትን ደው ከነብሎ ኣለና” ኢላ። ኢጣልያ ንዓመታት መረገጽ-እግሪ ናይቶም ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ተበጊሶም ናብ ኣውሮጳ ዝኣትዉ ስደተኛታት ካብ እትኸውን ዓመታት ኣቝጺራ ኣላ። ኣብዛ ገና ዘይተዛዘመት ዓመት ጥራይ ልዕሊ 77 ሽሕ ስደተኛታት ውሕስነተን ብዘይተረጋገጸ ጀላቡ ንማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ኢጣልያ ከምዝኣተዉ ጸብጻባት እታ ሃገር ይሕብሩ። ጓል 45 ዓመት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጆርጅያ ሜሎኒ፡ ንሰልፊ ‘ብራዘርስ ኦፍ ኢታሊ’ ብምምራሕ’ያ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ክትከውን ክኢላ። ጆርጅያ ሜሎኒ “ካብ ኵናትን መጥቃዕትን ሃዲሞም ዝመጽኡ ዕቑባ ክሓቱ መሰል ከምዘለዎም ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኮነን” ብምባል ሃገራ ዝያዳ ነቶም ኣሰጋገርቲ ብምቁጽጻር ንዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ክትሰርሕ ምዃኑ ንባይቶ ሃገራ ኣብሪሃ። እዛ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ንፈለማ ግዜ ጓል ኣንስተይቲ ቀዳማይቲ ሚኒስተር ክትከውን ዝኸኣለት ጆርጅያ ሜሎኒ፡ ኣብቲ ንኽትመረጽ ትገብሮ ዝነበረት ጐስጓስ ዋሕዚ ስደተኛታት ክትንክዮ ምዃና ብተደጋጋሚ ትገልጽ ምንባራ ዝዝከር’ዩ። ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጆርጅያ ሜሎኒ መደረ ቅድሚ ምስምዓ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ማትዮ ፕያንተዶሲ፡ ሃገሩ ነተን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ስደተኛታት [ካብ ምጥሓል] ንምድሓን ክሰርሓ ዝጸንሓ ኦሽያን ቪኪንግ ከምኡ'ውን ሁማኒቲ 1 ዝተበሃላ ክልተ መራኽብ ህይወት ኣድሕን፡ ሕጊ ኣየኽብራን ብምባል ኣብ ወደባት ሃገሩ ከይዕሸጋ ክኽልከላ ምዃነን ኣጠንቂቝ ነይሩ። ሚኒስተር ማትዮ ፕያንተዶሲ፡ ኣብ ኢጣልያ ስደተኛታት ዝጸዓና መራኽብ ህይወት ኣድሕን ኣብ ወደባት ሃገሩ ከይጽግዓ ዝኽልክል ፖሊሲ ኣብ ምንዳፍ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ጸኒሑ’ዩ። ኣብ 2019፡ 147 ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ኣብ ሲሲሊ ከይተራግፎም ብኸቢድ ካብ ዝሞጐቱ ምንባሩ’ውን ይዝከር። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣስታት 1350 ካብ ሊብያ ብኽልተ ጀላቡ ዝተበገሱ ስደተኛታት፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኰይኖም ናይ ርድኡና ጻውዒት ምስ ኣስምዑ፡ ኣብ ወደብ ሲሲሊ ከምዝራገፉ ተገይሮም ኣለዉ። ንመርከብ ሁማኒቲ 1 ዘመሓድር ኤስኦኤስ ዝተበሃለ ትካል ገባሪ ሰናይ ኰይኑ፡ ወሃቢ ቃል እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ኢጣልያ ዘውጽኦ ሓድሽ ሕጊ [ሁማኒቲ 1 ኣብ ወደባት ኢጣልያ መልሕቓ ከይትድርቢ ዝኽልክል ሕጊ] ከምዘይተሓበሮም ብምግላጽ፡ እዚ እንተዀይኑ ግን ኣንጻር ዓለምለኻዊ ሕጋጋት ባሕሪ ምዃኑ ኣብሪሁ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cp9rd4l1kgdo"} {"headline":"ካናዳ፡ ስለ ምንታይ 1.5 ሚልዮን ስደተኛታት ክትቅበል ወጢና?","content":"ካናዳ ብሰንኪ ዕድመ ምድፋእ ጥሮታ ዝወጽኡ ዜጋታት ምብዛሕ ኣብ ቁጠባኣ ዘጋጠመ ሃጓፍ፡ ብስደተኛታት ንምምላእ ተኣማሚና ኣላ። ነቲ ብዙሓት ሰባት ካብ ወጻኢ ምምጻእ ዝብል ሓሳብ ግን ኵሉ ሰብ ዝተሰማመዓሉ ኣይኰነን። መንግስቲ ካናዳ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ዓመታዊ፡ 500 ሽሕ ስደተኛታት ንምእታው ውጥን ከምዘለዎ ዘፍለጠ ኰይኑ፡ እታ ሃገር ኣብ ዝቕጽሉ ሰለስተ ዓመታት ኣስታት 1.5 ሚልዮን ሰባት ክትቅበል እያ ማለት እዩ። እዚ ውጥን፡ ብመንጽር ብዝሒ ህዝቢ ምስ ቀዋሚ መንበሪ ዘለዎም ሰባት ዘለዎ ተዛምዶ፡ እታ ሃገር፡ ካብ ብሪጣንያ ሸሞንተ ግዜ ካብ ኣሜሪካ ድማ ኣርባዕተ ግዜ ዝበዝሕ ህዝቢ እትቕበል ዝገብራ እዩ። ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገበረ መጽናዕቲ ግን፡ ሓደስቲ ሰባት ምቕባል ናይ ገዛእ ርእሱ ጭንቀት ይፈጥር ከም ዘሎ የመላኽት። ካናዳ ብዝሒ ህዝባን ቍጠባኣን ንምድንፋዕ፡ ብዘይገደብ ኣብታ ሃገር ክነብሩ ፍቓድ ዘለዎም ግን ድማ ዜጋታታ ዘይኰኑ ስደተኛታት ንምስሓብ ክትፍትን ጸኒሓ እያ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ታሪኻ ዝለዓለ 405 ሽሕ ቀወምቲ ነበርቲ ተቐቢላ እያ። እቲ ምኽንያት ብገለ ሸነኹ ቀሊል ቅማረ እዩ። ካናዳ ልክዕ ከም ካልኦት ሃገራት ምዕራብ፡ ትሑት መጠን ወሊድ ዘለዎ ብዕድመ ዝደፍአ ብዝሒ ህዝቢ ኣሎዋ። እዚ ማለት ድማ እታ ሃገር ክትምዕብል እንተደልያ ሰደተኛታት ከተምጽእ ኣለዋ። መንግስቲ ከም ዝገለጾ፡ ብዝሒ ስደተኛታት ድሮ ንዕብየት ሰራሕተኛ ዓቕሚ ሰብ ዝሸፈነ ኰይኑ፡ ኣብ 2032 ድማ ንምሉእ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ክሽፍን ትጽቢት ይግበር። ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ክሳብ 2025 ዓመታዊ 500 ሽሕ ስደተኛታት ከም ዝቕበል ዝገለጸ ኰይኑ፡ ካብቲ ኣብ 2021 ዝነበረ ብ25 ሚእታዊት ክብ ዝብል እዩ። ኣብዚ እዋን ሓደ ካብ ኣርባዕተ ካናዳውያን ናብታ ሃገር ብስደት ዝመጽአ ኰይኑ፡ እዚ መጠን ምስ ሃገራት ጕጅለ -7 ክነጻጸር እንከሎ ዝለዓለ እዩ። እታ ብልሙድ ብዙሓት ኣህዛብ ተሓናፊጾም ከም ዝነብሩላ እትግለጽ ኣሜሪካ እኳ፡ ካብ ብዝሒ ህዝባ 14 ሚእታዊት ጥራሕ እዩ ስደተኛ። ካብ ነበርቲ ብሪጣንያ እውን ተመሳሳሊ 14 ሚእታዊት ስደተኛታት እዮም። እንተዀነ እዚ ብመንጽር ስደተኛታት ካናዳ ቅሩብ ምቕዳም እምበር፡ ናይ ብሪጣንያ ድሕሪት ምትራፍ ከም ዘየመላኽት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዳይረክተር ማይግሬሽን ኦብዘርባቶሪ ማደሊን ሰምፕሽን ትገልጽ። እታ ዕጽፊ ብዝሒ ህዘቢ ካናዳ ዘለዋ ንእሽቶ ደሴት ዝዀነት ብሪጣንያ፡ ድሮ ጽዑቕ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኰይና፡ እታ ኣስታት 38 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋን ካብተን ሰፋሕቲ ሃገራት ዓለም ዝዀነትን ካናዳ ግን ንምዕባይ ሕጂ'ውን ቦታ ኣለዋ። “ብሓፈሻ ብሪጣንያ፡ ብከምቲ ካናዳ እትገብሮ ዘላ ብዝሒ ህዝቢ ናይ ምውሳኽ ዕላማ የብላን” ትብል ማደሊን። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማክማስተር ፖሊቲካል ሳይንቲስት ዝዀነ ጆፍረይ ካሜሩን ድማ፡ ኣብ ከም ካናዳ ዝበላ ትሑት መጠን ወሊድን ብብዝሒ ኣብ ምእራግ ዝርከብ ህዝብን ዘለወን ሃገራት፡ ዕዉትነት ስርዓተ ስደት ኣብ ድጋፍ ህዝቢ ዝተመስረት ከም ዝዀነ ይገልጽ። “ንብዙሓት ሃገራት እቲ ቀያዲ ባእታ ርእይቶ ህዝቢ እዩ።” ኣብታ ብደቡባዊ ዶባታ ዝኣትዉ ብዝሒ ስደተኛታት ካብ ኵሉ ግዜ ንላዕሊ ዝበዝሐላ ኣሜሪካ፡ ብዝሒ ስደተኛታት ካብቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ መጠን ሽቕለት ከይዛይድ ብሓፈሻ ስግኣት ኣሎ። ቅድሚ ብረግዚት [ምውጻእ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ]፡ ብዝሒ ካብ ምብራቕ ኣውሮጳ ናብታ ሃገር ዝስደዱ ስደተኛታት፡ ኣብ ልዕሊ ስደት ኣሉታዊ ኣረኣእያ ክምዕብል ገይሩ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ግን፡ እታ ሃገር ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝሓሸ ስርዓተ ቁጽጽር ኣሎዋ ካብ ዝብል እምነት ዝነቅል ዝሓሸ ኣመለኻኽታ ከም ዝማዕበለ ሰምፕሽን ትገልጽ። ካናዳ ግን፡ ንስደተኛታት ዝለዓለ ድጋፍ ናይ ምሃብ ዝጸንሐ ታሪኽ እዩ ዘለዋ። ካሜሩን ናይዚ ምኽንያት ክገልጽ እንከሎ፡ “እቲ ህዝቢ መንግስቲ ካናዳ ንጉዳይ ስደት ብኣግባቡን ድልየት እታ ሃገር ብዘማልአን መንገዲ የመሓድሮ እዩ ዝብል እምነት ስለዘለዎ ይመስለኒ” ይብል። እንተዀነ ንስደት ዝምልከት ዝዀነ ሻቕሎት የለን ማለት ኣይኰነን። ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ዶብ ኣሜሪካ ዝተራእየ ዋሕዚ ስደተኛታት ሻቕሎት ዝፈጠረ ኰይኑ፡ ኣብ 2018 ዝመጽአ ህዝባዊ ሰልፊ ካናዳ ዝተባህለ የማናዊ ውድብ ነቲ ሰክፍታ ክሳብ መረጻ 2019 ከም ኣጀንዳ ኣምጺእዎ። ዝተፈላለየ ከባቢታት ካናዳ እውን ኣብ ጉዳይ ስደት ዝተፈላለየ ኣመለኻኽታ እዩ ዘለዎም። መንግስቲ ካናዳ 500 ሽሕ ስደተኛታት ክቕበል ከም ዝደሊ ኣብ ዘፍለጠሉ እዋን፡ ግዝኣት ኩቤክ ልዕሊ 50 ሽሕ ስደተኛታት ከም ዘይትቕበል ኣፍሊጣ እያ። እዚ ማለት እታ 23 ሚእታዊት ካብ ብዝሒ ህዝቢ ካናዳ ዝሓዘት ግዝኣት፡ ካብቶም ስደተኛታት 10 ሚእታዊት ጥራሕ እያ ክትቅበል ማለት እዩ። መራሒ እታ ግዝኣት ፍራንኮይስ ልጋውልት፡ ብዝሒ ስደተኛታት ኣብታ ግዝኣት ንዝዝረብ ቋንቋ ፈረንሳ ከዳኽሞ እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎ። “ድሮ ብ 50 ሽሕ እኳ ንምድኻም ፈረንሳይኛ ደው ክነብሎ ኣይንኽእልን” ኢሉ። ካናዳ፡ ዋላ'ኳ ከም ሃገር ናይ ምዕባይ ብዙሕ ዕድል ዘለዋ እንተዀነት፡ ገለ ከባቢታት ግን ይጨናነቑ እዮም ዘለዉ። ንኣስታት 10 ሚእታዊት ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ዝሓዛ ከተማታት ቶሮንቶን ቫንኮቨርን፡ ናይ ተመጣጣኒ መንበሪ ገዛ ቅልውላው ኣጋጢምወን ኣሎ። ኣብ 1537 ካናዳውያን ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ካብ ኣርባዕተ እቶም ሰለስተ፡ እቲ ሓድሽ ትልሚ ኣብ መንበሪ ገዛን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ጸቕጢ ክፈጥር እዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎም ገሊጾም። ካልእ ካናዳ ካብ ሃገራት ምዕራብ ፍልይቲ ዝገብራ፡ ኣብ ንስራሕ ኢሎም ዝስደዱ ሰባት (ኢኮኖሚክ ማይግራንት) ዘለዋ ትዅረት እዩ። ኣስታት ፍርቂ ካብ ቀወምቲ ነበርቲ ካናዳ ብሞያዊ ክእለቶም ተቐባልነት ዝረኸቡ እዮም። መንግስቲ፡ ኣብ 2025 እቲ መጠን 60 ሚእታዊት ክበጽሕ ተስፋ ገይሩ ኣሎ። ነዚ ሓደ ምኽንያት፡ ስርዓት ካናዳ ዝተሃነጸሉ መንገዲ ከም ዝዀነ ካሜሩን ይገልጽ። ኣብ 1960ታት ካናዳ ካብቲ ንሃገራት ዝወሃብ ብዝሒ (ኮታ ሲስተም) ናብ ገምጋም መሰረት ዝገበረ፡ ስደተኛታት ናይ ምቕባል ስርዓት ብምስግጋራ፡ እቲ ዳሕረዋይ ስርዓት ኣብ ዕብየት ካናዳ ኣበርክቶ ዘለዎም ብዙሓት ስደተኛታት ክትቅበል ኣኽኢልዋ እዩ። ዋላ'ኳ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ተመሳሳሊ ስርዓት እንተሃለወን፡ ናይ ካናዳ ግን ፍሉይ እዩ። ኣብ ብሪጣንያ ካብ ኣርባዕተ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም እቲ ሓደ እዩ ብስራሕ ምኽንያት ነቲ ዕድል ዝረክብ። ኣብ ኣሜሪካ ድማ 20 ሚእታዊት ጥራይ ብስራሕ ምኽንያት ፍቓድ መንበሪ ይረኽቡ። እተን ሃገራት ቍጽሪ ንስራሕ ዝኣትዉ ስደተኛታት ናይ ምውሳኽ ምልክታት ዘርእያ ዘለዋ ኰይነን፡ እቲ ኣፈላላይ ናብዘን ሃገራት ዝኣቱ ብኣስራሕቱ ዝምወል ምዃኑ እዩ። ኣብ ካናዳ ግን፡ ጠለብ ስራሕ ምርካብ ከም ሓደ ብዙሕ ነጥቢ ዘውህብ ረቛሒ ኣይውሰድን። ካናዳ ዝበዝሑ ስደተኛ ሰራሕተኛታት እትቕበል ሃገር ጥራሕ ዘይኰነትስ፡ ካብተን ብብዝሒ ሓተትቲ ዕቝባ ዝቕበላ ሃገራት እውን እያ። ኣብ 2021 ጥራሕ ልዕሊ 20 ሽሕ ሓተትቲ ዕቝባ ስደተኛታት ተቐቢላ እያ። እንተዀነ እታ ሃገር ዘውጸአቶ ትልሚ ዝተጋነነ ይመስል። ኣብ 2021 ክትቅበሎም ተሊማ ዝነበረት ሓተትቲ ዕቝባ 59 ሽሕ እዩ ነይሩ። ሚኒስትሪ ስደተኛታት ካናዳ እቲ ክፍተት ብሰንኪ ምስ ኮቪድ ዝተሓሓዝ ዕጽዋ ዶብ ዝተፈጥረ ከም ዝዀነ እዩ ዝገልጽ። ካናዳ ኣብ 2023 ኣስታት 76 ሽሕ ሓተትቲ ዕቍባ ክትቅበል ትልሚ ኣለዋ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cy0nx017rx0o"} {"headline":"ኤርትራዊ ዕሉል ኣሰጋጋሪ ብኢትዮጵያ ተታሒዙ ንኢጣልያን ተረኪቡ","content":"ብምስግጋር ደቂ ሰባት ተጠርጢሩ ንኽልተ ዓመታት ክድለ ዝጸንሐ ሓደ ኤርትራዊ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተታሒዙ ንመንግስቲ ኢጣልያን ከምዝተረከበ ንሚኒሰትሪ ፍትሒ ኢጣልያን ጠቒሱ ሮይተርስ ሓቢሩ። እዚ ክድለ ዝጸንሐ ጥርጡር፡ ተመስገን ገብሩ ገብረመድህን ዝበሃል ወዲ 35 ዓመት ኰይኑ፡ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ካልኦት ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃን ናብ ኣውሮጳ ከሰጋግር ምጽንሑ’ዩ ዝግለጽ። እቲ ጥርጡር፡ ኣባል ዓለምለኻዊ ውድባት ገበን ብምዃኑን ብምስግጋር ደቂ ሰባትን ብዝብል ክሲ ክድለ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ’ዩ ንመንግስቲ ኢጣልያ ተረኪቡ። ኢጣልያ ንተመስገን ገብሩ ገብረመድህን ብዝተፈላለየ ዘይሕጋዊ ተግባራት ክሲ ብምቕራብ ብ 2020፡ ኣብ ዝተረኸቦ ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ትእዛዝ ከም ዘመሓላለፈት ዝዝከር እዩ። ተመስገን ገብሩ ገብረመድህን ብኢንተርፖል’ውን ክድለ ዝጸንሐ ኰይኑ ናብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተተሓዘ ሮይተርስ ገሊጹ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን’ውን ኣብታ ሃገር ተኣሲሩ ዝነበረ 'ወሊድ' ብዝብል ስም ዝፍለጥ ኤርትራዊ ዕሉል ኣሰጋጋሪ ናብ መንግስቲ ኔዘርላንድ ከምዝረከበ ዝዝከር’ዩ። እቲ ኣሰጋጋሪ፡ ካብ 2014 ክሳብ 2020 ኣብ ዝነበረ እዋን ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓደገኛ ኣገባብን ዓመጻት ዝበዝሖ ኵነታትን ኣሰጋጊሩ ብዝብል'ዩ ዝኽሰስ። እቲ ብወሊድ ዝብል ስም ዝጽዋዕ ተወልደ ጐይትኦም፡ ኣብ ሰነ 2021 ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ምስርጣይ ስደተኛታትን ገበነኛ ኰይኑ ብምርካቡ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ን18 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ ዝነበረ'ዩ። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ቀይዲ ሃዲሙ ዝድለ ዘሎ ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያም ዝተባህለ ካልእ ዕሉል ኣሰጋጋሪ'ውን ሓደ ካብ ቀንዲ ተሓባበርቱ ምንባሩ፡ ሰብመዚ ኔዘርላንድ ይኸሱ። ኣኽባሪ ሕጊ ኔዘርላንድ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘየለወሉ ንሕልፈት ክእሰር ዝተፈርደ ኤርትራዊ ኪዳነ ዘካርያስ ኣብ ዝርዝር ቀንዲ ተደለይቲ ሰባት ኣስፊርዎ ምህላዉ ይፍለጥ። ኪዳነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ንሓደ ዓመት ብጉዳይ ክልተ ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኰይኑ ጉዳዩ ክርአ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ለካቲት 2020 ካብ ቤት ፍርዲ ሃዲሙ ከምዝተሰወረ ይዝከር። ምስ 'ወሊድ' ዝተሓባበር ጐደፋይ ደሞዝ ዝተባህለ ውልቀሰብ ድማ፡ ናይ 16 ዓመትን ሽዱሽተ ወርሒን ማእሰርቲ ከምኡ'ውን 50 ሽሕ ብር መቕጻዕቲ ተፈሪድዎ ነይሩ። ተወልደ ጐይትኦም ምስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ብዝተሓሓዝ ብሓሙሽተ ክስታት'ዩ ኣብ ኢትዮጵያ ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ። ኣኽበርቲ ሕጊ ኔዘርላንድ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ምርካብ ናይቲ ጥርጡር ንዘርኣየቶ ምትሕብባር ዘለዎም ምስጋና ገሊጾም ኣለዉ። ብዘይካ እዚ ዮሃንስ ሃብተ ዝተበሃለ ኤርትራዊ-ኔዘርላንዳዊ ኣስጋራይ ኣብ ናይሮቢ ብ16 ታሕሳስ ተታሒዙ ንመንግስቲ ኔዘርላንድ ኣብ መዓልቲ ልደት ፈረንጂ ከምዝተረከበ ዝዝከር እዩ። ወዲ 53 ዓመት ዮሃንስ ሃብተ፡ ብኢንተርፖል ክድለ ድሕሪ ምጽንሑ እዩ ብምትሕብባር ፖሊስ ኬንያ ኣብ ጫፍ ከተማ ናይሮቢ ተታሒዙ። ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት፡ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ንኣሰጋገርቲ ዘይተኣደነ ዶላራት እናኸፈሉ ውሕስነት ብዘይብለን ጀላቡ ንማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ኣሽሓት ካብኦም ከኣ ከምዝጠሓሉ ይፍለጥ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ce94e8prl9vo"} {"headline":"ኣብ ዶብ ኣሜሪካ ቁጽሪ ስደተኛታት ይውስኽ'ሎ","content":"ኣብ ዶባት ኣሜሪካን ሜክሲኮን ቁጽሪ መስርዕ ዝሓዙ ስደተኛታት ብናህሪ ይውስኽ ከምዘሎ ተገሊጹ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4nrwq7egn1o"} {"headline":"\"ሰላም'ዩ ዘድልየና\" ሞዴል ሰለማዊት ተኽላይ","content":"ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለም-ለኻዊ ውድድራት ጽባቐ ተሳቲፋ ብዙሕ ሽልማታት ዝረኸበት ሞዴል ሰለማዊት ተኽላይ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዕቑባ ከምዝሓተት ገሊጻ። ንሳ ካብ ፈረንሳይ ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ኣብ ዝሰገረትሉ ግዜ ካብ ሕልንኣ ዘይጠፍኡ ተጓንፎታት ከምዝረኣየት ሓቢራ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1zgk3y5lro"} {"headline":"ኣብ መርሳ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ቆቦ ከምዝተጸገሙ ገሊጾም","content":"ብሰንኪ እቲ ዳግማይ ዝተወልዐ ኲናት ካብ ቆቦ ተመዛቢሎም ኣብ መርሳ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ዝቕመጡ ኣረጋውያን፡ ኣዴታትን ህፃናትን ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዘለዉ ገሊጾም። እቲ ኲናት ዳግማይ ኣብ ዝተጀመረሉ ሰሙን፡ ብርክት ዝበሉ ነበርቲ ከተማ ቆቦ ናብ ካልኦት ከባቢታት ከምዝሃደሙ ተገሊጹ ነይሩ። ኣብ መርሳ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ዝርከባ ክልተ ኣዴታት ምስ ደቀን ምግቢ ክረኽባ ከምዘይከኣላ ንቢቢሲ ገሊጸን። ወዳ ሒዛ ዝተመዛበለት ሓንቲ ነፍሰጾር፡ ናብቲ መዕቆቢ ካብ ዝኣትዉ ኣትሒዙ ንኣርባዕተ መዓልቲ እተዕርፈሉ ዓራት ከምዘይረኸቡ ኣረዲኣ። እታ ብሕጽረት ምግቢ ከምዝተጸገሙ ትገልጽ ኣደ፡ ሓደ ወይ ክልተ ኪሎ ሩዝ ከምዝወሃቦምን “ንሱ’ውን ዘይቲ ስለዘየለ ብጥራዩ ኣብሲልና ክንበልዕ ኢና ተገዲድና” ትብል። እዛ ኣደ ብ21 ነሓሰ 2014 (ኣ.ግ) ቅያር ክዳን ከይሓዙ ካብ ቆቦ ከምዝተመዛበሉ ንቢቢሰ ገሊጻ። “እቲ ዝለበስናዮ ክዳን ተኸዲንና ኢና ወጺእና። ናብ ከባቢ ኮምቦልቻ ዝኸድናሉ ምኽንያት፡ ኣብኡ ስድራቤት ስለ ዝነበረና እዩ። ብድሕሪኡ ተመዛበልቲ ናብ ከባቢኹም ተመለሱ ተባሂልና። ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣብቲ ብመንግስቲ ዝተመስረተ መዓስከር ኢና ንሓድር ዘለና\" ኢላ። ኣብቲ ግዝያዊ መዕቆቢ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ፣ ኣረጋውያንን ህፃናትን ከምዘለዉ'ውን ወሲኻ ሓቢራ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ገዛ ዝለመዱ ህጻናት ክበኽዩን ብዘይ ዓራት፡ ኣብ ቁሪ ደቂሶም ምርኣይን ኣዝዩ ዘሕዝን ኩነታት ምዃኑ ትገልጽ። “ካብ ምብላዕን ምስታይን ንላዕሊ፡ እንድቅሰሉን እነዕርፈሉን ቦታ የድልየና። እቶም ቆልዑ ድማ ቅያር ክዳን የብሎምን። ኣብ ኣዝዩ በዳሂ ኩነታት ኢና ዘለና\" ኢላ። ዛጊት ብናይ ረድኤት ትካላት ሓገዝ መግቢ ተዋሂብዎም እኳ እንተነበረ፡ መጺኦም ዘዘራረብዎም ሰበስልጣን መንግስቲ ግን መፍትሒ ክህብዎም ከምዘይከኣሉ ትዛረብ። እቲ መዕቆቢ ንኹሉ ከተኣናግድ ስለዘይኽእል ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣረጋውያንን ህጻናትን ጥራይ እዮም ኣብኡ ዝዕቆቡ። ስለ ዝኾነ ድማ ደቂ ተባዕትዮ ብዘይ መጽለሊ ይኹን ሓገዝ ኣብ ሽግር ከም ዘለዉ ይዛረቡ። ካልእ ምስ ሰለስተ ደቃ ካብ ቆቦ ዝመጸት ኣደ ድማ \"ኣብቲ መዓስከር ብዙሕ ሓገዝ የለን\" ትብል። \"ንደቅና ንምምጋብ ካብ ስድራቤት ገንዘብ ንሓትት ኣለና\" ክትብል ንቢቢሲ ሓቢራ። “ምስ ቆልዓ ስደት ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ህጻናት ብዙሕ ድሌታት ኣለዎም። መዓስ ኢና ናብ ገዛና ንኸይድ?\" ኢላ ትሓትት። ምስቲ ዳግማይ ዝተወልዐ ኲናት ብዝተኣሳሰር ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዕሊ 50 ሽሕ ወገናት ኣብ ከባቢ መርሳ ተዓቚቦም ከምዘለዉን ረድኤት ግን ድሩት ከምዝኾነን ኣብ ክልል ኣምሓራ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ምክልኻል ሓደጋን ውሕስና ምግቢን ኣቶ እያሱ መስፍን ንቢቢሲ ገሊጹ። ሓደሽቲ ተመዛበልቲ ከይሓወሰ ኣብቲ ክልል ልዕሊ 8.7 ሚሊየን ነበርቲ ህፁፅ ድጋፍ ከምዘድልዮምን ናብ ፌደራል መንግስቲ ሕቶ ከምዝቐረበን ሓቢሩ። \"መንግስቲ ፌደራል ንዝቐረቡ ሕቶታት ኣብ ምስማዕን ብቕልጡፍ ምላሽ ኣብ ምሃብን ይድንጉይ ኣሎ\" ዝብል ኣቶ እያሱ እቲ ኣወሃህባ ሓገዝ ከም ኣድላይነቱ ክወሃብ ዘይከኣለሉ ምኽንያት ገሊጹ። ምስ ፀገም መጓዓዝያን ሕፅረት ቀረብን ብዝተኣሳሰር \"እቲ እንሓቶ ዘለና መጠን መግቢ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ይቐርብ ኣሎ ኢልና ኣይንኣምንን\" ኢሉ። ከም ውጽኢቱ ድማ ብዙሓት ተመዛበልቲ ጸገም መግቢ የጋጥሞም ከምዘሎን ጥርዓኖም ብዝተፈላለየ መገዲ ከምዝሰምዑን ገሊጹ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ce4j0rr0r1xo"} {"headline":"\"በብዘለናዮ ዓዲ ኣካል እቲ ማሕበረሰብ ክንከውን ኣለና\" ንኣባልነት ፓርላማ ሽወደን ዝወዳደር ዘሎ ፊልሞን","content":"ወዲ 29 ዓመት በዓል ሞያ ኬሚካላዊ ምህንድስና ፊልሞን ጎርፉ፡ ኣብቲ ኣብ ሽወደን ዝካየድ ዘሎ ዞባውን ፓርላመንታውን መረጻ ካብቶም ሸሞንተ ዓበይቲ ውድባት እታ ሃገር ሓደ ንዝኾነ ጸጋማዊ ውድብ ሶሻል ዲሞክራት ወኪሉ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ይወዳደር ኣሎ። ክሳብ 10ይ ክፍሊ ኣብ ትግራይ ተማሂሩ ኣብ 2009 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ናብ ስዊዲን ዝኸደ ፊልሞን፡ ካብ 2018 ጀሚሩ ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ምውሳእ ከምዝጀመረ ይገልጽ። \"ካብ 2018 እየ ኣብ ፖለቲካ ምስታፍ ጀሚረ። ምኽንያቱ እቲ ናይዚ ዓዲ ፖለቲካን ጸገማትን ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ ኢለ ስለ ዝኣምን እዩ። ኣብዚ ዓዲ ናይ ዩኒቨርሲቲ ተምሃራይ እናሃለኹ እውን ኣብ ፖለቲካ ዝነጥፍ መሓዛ ነይሩኒ። ሽዑ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣባል ኮይነ” ይብል። ፊልሞን ኣባል ሰልፊ ሲሻል ዲሞክራሲ ኮይኑ፡ ኣብ ዞባውን ፓርላመንታውን ውድድር ሕጹይ ኮይኑ ቀሪቡ ኣሎ። እቲ ሰልፊ ኣብ ማዕርነት፣ ሕግን ክሊማን ዘለውዎ ፖሊሲታት ኣባል ክኸውንን ምስቲ ውድብ ክሰርሕን ከምዝገበርዎ እውን ይገልጽ። “ቁጠባዊ ማዕርነት ክህሉ ኣለዎ ይብል። ኣብ መንጎ ድኻን ሃብታምን ዘሎ ኣፈላላይ ክቕንስ ኣለዎ ዝብል እዩ። ካልኣይ ኣብ ገበን ዘሎ ኣተሓሕዛ ዝምልከት እዩ። መብዛሕትኡ ገበን ብወጻእተኛ እዩ ዝፍጸም እናበሉ ኩሉ ናባና ዝገብርዎ፣ ቅጽዓት ክኸርር ኣለዎ፤ ክነባርሮም ኣለና ዝብሉ የማናውያን ኣለዉ። ናትና ሰልፊ ግን ሰብ ብምቕጻዕ ጥራሕ ዘይኮነስ ገና ካብ መውዓሊ ህጻናት ጀሚሩ ሓገዝ ክግበር ኣለዎ እዩ ዝብል” ኢሉ። መመርመሪ ናውቲ ኮቪድ 19 ኣብ ዘፍሪ ትካል ላቦራቶሪ ኢንጂንየር ኮይኑ ዝሰርሕ መንእሰይ ፊልሞን፡ ስደተኛታት ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ዝነብሩለን ሃገራት ብሰፊሕ ክሳተፉ ከምዝግባእ እዩ ዝኣምን። “ሓደ ከም ዝኾነ ኣካል እቲ ማሕበረሰብ ክንከውን ኣለና። ኩሉ ኣብ ስዊዲን ዝካየድ ነገር ክንከታተል ኣለና። ምኽንያቱ፡ ሕጊ ዝጸድቕ ኣብ ፓርላማ እዩ፤ ሕጊ ዘጽድቕ ፓርላማ እዩ። \"ኣካል እቲ ማሕበረሰብ እንተዄንና ንሕና እውን ተጠቀምቲ ንኸውን። ኣብ ኩሉ ዝፍጸም ድምጽና ይህልዎ፤ ወሰንቲ እውን ንኸውን። ከም ስራሕ እውን ጽቡቕ ስራሕ እዩ።” ፊልሞን ንፖለቲካዊ ጉዕዞኡ ኣብዚ ፈላማይ መረጽኡ  ምስ ዝረኽቦ ድምጺ ከምዘየተሓሕዞ እዩ ዝገልጽ። ብኣንጻሩ ኣብ ነዊሕ ዓመታት ከዐውቶም ዝደልዮም ትልምታት ከምዘለዎ ይዛረብ። “ብሓደ ግዜ ፓርላማ እንተዘይኣተኹ ዘይኮነስ፡ ብወረዳን ዞባን ኣቢለ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ናብ ፓርላማ ንምእታው እዩ ዕላማይ፤ ምኽንያቱ ተሳትፎይ ወሲኸን ኣጽኒዐን፡ ኣካል እቲ ፓርላማ ብምዃን ከም ሓደ ትግራዋይ፣ ከም ሓደ ጸሊም ኣፍሪቃውን ሓደ ኣካል ታሪኽ ክኸውን እየ ዝደሊ” ይብል። ተስፋ ዘይምቑራጽ ከም ናይ ህይወት መትከሉ ገይሩ ከምዝወስድ ዝገልጽ ፊልሞን፡ ብፍላይ መንእሰያት ኣብ ዝደልይዎ ብርኪ ናይ ምብጻሕ ዕቑር ዓቕሚ ከምዘለዎም ይኣምን። “ንመንእሰያት ዘይከኣል ነገር የለን። ኣብ እንደልዮ ቦታ ንምብጻሕ ተስፋ ክንቆርጽ የብልናን። በብዘለናዮ ዓዲ  ኣካል እቲ ማሕበረሰብ ክንከውን ኣለና” ይብል።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crg2rwd2n4po"} {"headline":"ዝኽሪ 50 ዓመት፡ እታ ንወዲ ውልቀ መላኺ ኢዲ ኣሚን ዘሕረሰት ነርስ","content":"እታ ንወዲ ዩጋንዳዊ ውልቀመላኺ ኢዲ ኣሚን ክውለድ እንከሎ ዘሕረሰት፡ ከምኣ ዝኣመሰሉ ኣሽሓት ሰባት ካብታ ሃገር ካብ ዝባረሩ 50 ዓመታት ተቘጺሩ ኣሎ። ያስሚን ላላኒ ካብቶም ኣብ 1972 በቲ ውልቀመላኺ ካብ ዝተባረሩ 80 ሽሕ ዩጋንዳውያን ኤስያውያን ሓንቲ እያ ነይራ። ሕጂ ኣብ ላንክሻየር ትነብር ያስሚን፡ ንኣሚን ነቲ ባዶ ዝነበረ ስምዒት ዘይብሉ ገጹ ዘኪራ፡ \"ኣዝዩ ዝሑል\" ነይሩ ትብል። በዓልቲ ቤቱ ግን \"ኣዝያ ጥዕይቲ\" ኰይና፡ ወ\/ሮ ላላኒ \"ብሓባር ዝሰሓቐናሉ ገለ እዋን\" ከም ዝነበሩ ገሊጻ። ኣስዒባ፡ \"ኵሉ ሰብ ኣሽንባይ’ዶ ብኣካል ገና ስሙ ክጽዋዕ ከሎ እዩ ዝፈርሖ ነይሩ\" ትብል። \"ኣብ ገጹ ዝዀነ ስምዒት ኣይነበሮን፡ ፈጺሙ ዋላ ሓንቲ ኣይነበሮን። ዝሑል እዩ ነይሩ፡ ኣዝዩ ዝሑል'ዩ ነይሩ።\" ሕጂ ኣብ ቍሸት ዊልፕሻየር ትነብር ሚስ ላላኒ ወሲኻ፡ \"ንሱ ዩኒፎርም ተኸዲኑ ነይሩ ኣነ እውን ኣብ ዩኒፎርመይ ገይረ ነይረ፣ ናተይ ዩኒፎርም ድማ ኣብቲ እዋን ካብቲ ናቱ ዝዓበየ ኰይኑ ተሰሚዑኒ ምኽንያቱ ኣብ መስርሕ ህይወት ምድሓን ስለ ዝነበርኩ\" ትብል። ራብዓይቲ በዓልቲ ቤት ኣሚን ኣብ ርእሰ ከተማ ዩጋንዳ ካምፓላ ኣብ ዝርከብ ፍሉይ ሆስፒታል ወዲ ወሊዳ ክትከናኸና እንከላ፡ ሚስ ላላኒ ጓል 21 ዓመት እያ ነይራ። \"ኣዝያ ምህርቲ ነይራ። ሰብኣውነት ስለዝነበራ ብሓባር ንስሕቕ። ኣዝያ ጥዕይቲ ነይራ\" ክትብል ንበዓልቲ ቤት ኣሚን ትገልጻ። ኣሚን ኣብ 1971 ብደማዊ ዕልዋ ናብ ስልጣን ደይቡ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓሉ ሸሞንተ ዓመታት፡ ኣስታት 300 ሽሕ ሰባት ሞይቶም እዮም። እቲ ውልቀመላኺ ንዩጋንዳውያን ኤስያውያን ካብታ ሃገር ንኽወጹ 90 መዓልታት ሂብዎም ነይሩ። ሚስ ላላኒ፡ እቲ ትእዛዝ \"ክሃድእ እዩ ኢልና ስለ ዝሓሰብና ኣብቲ እዋን ብዙሕ ኣየተረበሽናን\" ክትብል ነቲ እዋን ትዝክር። ግን ነዊሕ ከይጸንሐ እቲ ስግኣት እናዓበየ ከይዱ። ስለዚ ሓንቲ ካብቶም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ተዓቚቦም ዝነበሩ 28 ሽሕ ዩጋንዳውያን ኤስያውያን ኰይና። \"ኵሉ ሰብ ፈሪሑ። እቲ ጸገም ድሕሪኡ እንታይ ከም ዘስዕብ ኣይንፈልጥን ኢና ነይርና\" ትብል። ንሳ፡ እቲ ውልቀመላኺ \"ኣዝዩ ተቘጻጻሪ\" ከምዝነበረ ትገልጾ። \"ኣብ መጀመርታ፡ ፈለማ ሓጺር ቀምሽ ኣጊዱ፡ ድሕሪኡ ዊግ ኣጊዱ፤ ንበዓልቲ ቤቱ ንምንታይ ከምኡ ይገብር ኣሎ ኢለ ሓቲተያ\" ትብል። \"ኣምላኽ ከምኡ ክገብር ኣብ ሕልሚ ከምዝነገሮን ትእዛዛት ኣምላኽ ይኽተል ከም ዘሎን ነጊራትኒ።\" ሚስ ላላኒ፡ ዛንታታት ጭካነን ቅትለትን ክዝርጋሕ ምስ ጀመረ፡ ኣብ ጎደናታት ዝነበረ ሃዋህው \"ዘፍርሕ\" ምዃኑ ትዝክር። ሓንቲ ጓል ሽዱሽተ ዓመት ኤስያዊት ጓል ምስ ስድራኣ ናብ ዕዳጋ ኣብ ዝኸደትሉ እዋን ተታሒዛ ከምዝተቐትለት ትዝክር። \"ወተሃደር ወይ'ውን ወተሃደራዊ መኪና ከይተረፈ እንተርኢና፡ ስለንፈርሕ ሃዲምና ንሕባእ ነይርና\" ትብል። ሚስ ላላኒ፡ ሓንቲ ካብተን ናይ ቀረባ መሓዙታ ከም ዝተዓመጸትን ደሓር ድማ ህይወታ ከም ዘጥፍአትን ትዝክር። \"ንሳ ኣነ ዝፈልጣ ጥራይ እያ። ካልኦት ከምኡ ከም ዘጋጠመን ክንደይ ከምዝዀና ኣምላኽ እዩ ዝፈልጥ\" ትብል። \"ድሕሪ ሓምሳ ዓመት፡ ነዚ ነገራት ክሰምዕ ከለኹ ሕጂ'ውን ይበኪ'የ። ሕጂ’ውን ኣብ ቅድመይ ይረኣየኒ። እቲ ስምዒት ክግለጽ ዝኽእል ኣይኰነን።\"","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ce7569j1j1do"} {"headline":"ኣብ ኢጣልያ ዝተፈጸመ ቅትለት ኣፍሪቃዊ ስደተኛ ቍጠዐ ፈጢሩ","content":"ኣብ ኢጣልያን፡ ብቐትሪ ኣብ ማእከል ከተማ ብዝተፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ሞት ዘጋጠሞ ኣፍሪቃዊ ስደተኛ ቍጠዐ ፈጢሩ። እቲ ኣብ ጽርግያ እናሸቀጠ ዝናበር ናይጀርያዊ ስደተኛ ብዓርቢ’ዩ ኣብ ከተማ ሲቪታኖቫ ማርች ብሓደ ጻዕዳ ተቐቱሉ። ሓደ ጻዕዳ መንእሰይ፡ ነቲ ናይጀርያዊ ብኽሳዱ ሓኒቝ ኣብ መሬት ኣውዲቝ እዩ ቀቲልዎ። እቲ ፈጻመ ብቪድዮ ተሳኢሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ድሕሪ ምዝርግሑ ከኣ ኣብ ብዙሓት ቍጠዐ ፈጢሩ ኣሎ። እቶም ቪድዮ ዝስእሉ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ኣብ መሬት ወዲቑ ብኽሳዱ ተሓኒቝ ዝጽዓር ዝነበረ ናይጀርያዊ ስደተኛ ክገላግልዎ ዘይምፍታኖም’ውን እቲ ኻልእ ቍጠዐ ፈጢሩ ዘሎ ነጥቢ’ዩ። እቲ ወዲ 32 ዓመት ተወላዲ ኢጥልያን በቲ ዝፈጸሞ ገበን፡ ብቕትለትን ስርቅን ተኸሲሱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ኣሎ። እቲ ነቲ ኢጣያውን ናይጀርያውን ናብ ረጽሚ ዘእተዎም ምኽንያት’ኳ እንተዘይተገለጸ፡ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ዝርኣዩ ሰባት ነቲ ተግባር ብትሪ ኮኒኖምውዎ ኣለዎ። እቲ ብቐትሪ ኣብ ማእከል ጐደና ብኢጣልያዊ ዝተቐተለ ናይጀርያዊ ስደተኛ፡ ኣሎካ ኦጎርኡከዉ ዝበሃል ኰይኑ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ውሉዳትን’ዩ። በዓልቲ ቤቱ ቻሪቲ ኦሪቾ፡ ሬሳ በዓል ቤታ ኣብ ማእከል ጽርግያ ብጻዕዳ ጨርቂ ተሸፊኑ ምስ ርኣየት ስንባድኣ ክትቈጻጸሮ ከምዘይክኣለትን ንማዕከናት ዜና ገሊጻ። ትማሊ ቀዳም፡ ኣማኢት ናይጀርያውያን ናብ ጐደታት ከተማ ሲቪታኖቫ ማርቸ ብምውጻእ ሞት ኣሎካ ኦጎርኡከዉ  ፍትሒ ክረክብ ብነድሪ ጻውዒት ከቕርቡ ውዒሎም። እቲ ቅትለት ብፖለቲከኛታት ኢጣልያ’ውን ተዀኒኑ ኣሎ። ሓላፊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ጸጋማይ ክንፍ ኢንሪኮ ለታ፡ ነቲ ተግባር “ዘሰንብድ” ኢሉ ገሊጽዎ። ንሱ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ ሓዘን መግለጺ፡ “ዝዀነ መመኽነይታ ዘይብሉ፡ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ጭካነን ልዕሊ ዓቐን ዝስፋሕፍሐ ዘይተገዳስነትን'ዩ” ኢሉ። ላዕለዋይ ሓላፊ የማናይ ክንፊ ማትዮ ሳልቫኒ ብወገኑ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ “ሓለዋ ጸጥታ ሕብሪ ኣይፈልን’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ ኵሉ ብዘይኣፈላላይ ድሕነቱ ሕሉው ዝዀነሉ ባይታ ክጣጣሕ ኣለዎ፡ ኢሉ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cqlk5qndzv3o"} {"headline":"ኣብ ዓለም እቶም ሓደገኛታት መስመር ስደት ኣየኖት’ዮም?","content":"ኣብ ዝሓለፈ ውሑዳት መዓልታት ኣብ ክልተ ኣጋጣሚ ዶብ ክሰግሩ ዝሓሰቡ ስደተኛታት ዘሰንብድ ሞት ከጋጥሞም ርኢና። ብዓርቢ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ብሞሮኮ ኣቢሎም ሓጹር ሰጊሮም ናብ ስጳኛ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተንሉ ብውሑዱ 23 ሰባት ሞይቶም። ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት ናይዚ ፍጻመ፡ ኣብ ኣሜሪካ ሳን ኣንቶንዮ ኣብ ዝተባህለት ከተማ’ውን ኣብ ሓንቲ መራሒኣ ገዲፍዋ ዝኸደ ዓባይ ዕሽግቲ ናይ ጽዕነት መኪና፡ ብውሕዱ 46 ሰባት ሞይቶም ተረኺቦም። ድሕሪ ክስተት ኮቪድ-19 መብዛሕትአን ሃገራት ካብን ናብን ሃገራት ዝግበር መገሻታት ስለ ዝኸልከላ፡ በቶም ኣብ ዓለም ኣዝዮም ሓደገኛታት ዝዀኑ መስመራት ጕዕዞ ስደተኛታት ብዙሕ ሰብ ክንቀሳቐሰሎም ተራእዩ። በዚ መንጽር ኣብ ጕዕዞ እንከለዉ ዝሞቱ ስደተኛታት ቍጽሮም እናወሰኸ ከም ዝኸደ ይንገር። ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት [ኣይ.ኦ.ኤም ]፡ ካብ 2014 ክሳብ ሕጂ ኣስታት 50 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ኣሜሪካን ናብ ኣውሮጳን ንምእታው ኣብ ዝፈተንሉ ከም ዘሞቱ ወይ ሃለዋቶም ከም ዝጠፍአ ይሕብር። ኣይ.ኦ.ኤም ቍጽሪ ናይቶም ዝሞቱን ሃለዋቶም ዝጠፍአን ካብዚ ተገሊጹ ዘሎ ኣዝዩ ክልዕል ከም ዝኽእል’ዩ ግምታት ዘለዎ። ንምዃኑ ኣብ ዓለም እቶም ሓደገኛታት መስመር ስደተኛታት ኣየኖት’ዮም? ስለ ምንታይ? ብመሰረት ጸብጻብ ኣይ.ኦ.ኤም፡ እዚ መስመር እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ መስመር እዩ። ካብ 2014 ክሳብ ሕጂ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ተበጊሶም ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ ስደተኛታት ልዕሊ 19,500 ሰባት ሞይቶም። እቶም ነዚ ባሕሪ ዝሰግሩ ሰባት፡ ብዕንጨቲ ወይ ብጐማ ዝተሰርሓ ጀላቡ ተጠቒሞም። መበገሲ ናይዞም ብማእከላይ ባሕሪ ዝሰግሩ ሰባት ድማ ሊብያን ቱኒዝያን’ዩ። ኣብ ቱኒዝያ፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ እታ ሃገር ናይቶም ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ዝሞቱ መካነ መቓብር ኣሎ። ቪኪ ዝተባህለ ኒጀራዊ ስደተኛ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል “ነዚ መቃብር ክርኢ እንከለኹ ኣዝዩ’ዩ ሕማቕ ዝስምዓኒ፤ ብሓቂ ነዚ ባሕሪ ክሰግሮ ድየ ኢለ ከኣ ይፈርሕ” ይብል። ከም ኣይ.ኦ.ኤም ዝኣመሰሉ ትካላት ግን እዚ ንስደተኛታት ጉዕዝኦም በቲ ሓደገኛ መንገዲ ካብ ምቅጻል ከም ዘየጎናድቦም’ዮም ዝገልጹ። ውሃቢት ቃል ኣይ ኦ ኤም ሳፋ ምሰህሊ “ናብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ካብ ምምጻእ ኣየቋረጹን። እቲ ቀንዲ ዘሻቕል ከኣ ኣብቲ መስመር መጠን ሞት’ውን ይውስኽ ኣሎ። ሃገራት ዝጭበጥ ነገር ክሳብ ዘይገበራ ከኣ በዚ መስመር ዝግበር ሞትን ስደትን ደው ኣይክብልን’ዩ” ትብል። ሓለዋ ዶብን ባሕርን ኣውሮጳ ብወገኑ ካብ 2015 ክሳብ ሕጂ በዚ መስመር እዚ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ ሰባት ኣስታት 300 ሽሕ ሰባት ካብ ሞት ከም ዘድሓነ ይሕብር። ንመብዛሕትኦም ናብ ኣውሮጳ ክበጽሑ ዝደልዩ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት እቲ ጉዕዞ ስደቶም ካብ ውሽጢ ሃገሮምን ኣህጉሮምን’ዮም ዝጅምርዎ። ናብ ሰሜን ኣፍሪቃ ንምብጻሕ ከኣ ንምድረበዳ ሰሃራ ከቋርጹ ይግደዱ። እቲ ቀንዲ መሰናኽል እዚ መስመር ከኣ እቲ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ክሊማ እቲ ከባቢ እዩ። ኣይ.ኦ.ኤም፡ ካብ 2014 ክሳብ 2022 ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብዚ መስመር ኣስታት 5,400 ሰባት ከም ዝሞቱ ይሕብር። ዓብደላህ ኢብራሂም በዚ መስመር ዝሓለፈ ስደተኛ ኮይኑ፡ ምስ ኤ ኤፍ ፒ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት “ኣብቲ ምድረበዳ ሰባት ክሞቱ ብዓይንኻ ትርኢ፤ ገለ ብድኻም፡ ገለ ብጥሜትን ጽምኢ ማይን” ብምባል ምስክርነቱ ሂቡ። እቲ ካልእ ጸገም፡ በቶም ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቀሱን ሰባት ዝጨውዩ ስደተኛታት ኣብ ሞንጎ ዝሞቱን’ውን ቁጽሪ ውሑድ ዘይምዃኑ’ዩ። ኣይ.ኦ.ኤም ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ “ኣብ ሞንጎ ኣሰጋገርትን ሓለዋ ዶብን ቀጻሊ ምልውዋጥ ናይ ቶኲሲ ኣሎ ኣብ ከምዚ ክስተት ዝሞቱ ስደተኛታት ከኣ ቁጽሮም ውሑድ ኣይኮነን” ኢሉ። ኣብ ደቡብን ሰሜንን ኣሜሪካ ዝግበር ናይ ስደት ጉዕዞ ኩሉ ናብ ኣሜሪካ ንምእታው ጥራይ ዝዓለመ ኣይኮነን። ዶብ ሜክሲኮን ኣሜሪካን ግን እቲ ቀንዲ ብዝሒ ስደተኛታት ዝርኣይሉ ቦታ’ዩ። እቶም ስደተኛታት ካብ ሜክሲኮ ናብ ኣሜሪካ ንምስጋር መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ኣብ ሞንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ዝርከብ ሓደገኛ ዝኾነ ፈለግ ሪዮ ግራንደ ክሰግሩ ግድን እዩ። ኣብዚ ፈለግ እዚ ካብ 2014 ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 3000 ሰባት ከም ዝጠሓሉ ኣይ.ኦ.ኤም ይግምት። እቶም በዚ ፈለግ እዚ ምስጋር ዝፈርሑ ከኣ ኣብ ዓበይቲ መካይን ተሓቢኦም ከሰግሩ’ዮም ዝፍትኑ፡ ብዙሕ ግዜ ከኣ ከምቲ ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ሳን ኣንቶንዮ ዘጋጠመ ሞት የጋጥሞም። ወሃቢት ቃል ኣይ ኦ ኤም ሳፋ ምሰህሊ “ኣብ ቀረባ ግዜ ናብ ኣሜሪካ ንምእታው ካብ ዝፍትኑ ሰባት ተደጋጋሚ ሞት’ዩ ዘጋጥም ዘሎ” ኢላ። ኣብ ታሕሳስ 2021 ኣብ ችያፓስ ሜክሲኮ ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ዓባይ መኪና ብምግጫዋ 56 ሰባት ምማቶም ይዝከር። ኣይ.ኦ.ኤም ኣብ 2020 ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዓለም ካብ ዝርከቡ ስደተኛታት እቶም 40 ሚኢታዊት መበቆሎም ካብ ኤስያ ምዃኑ ከረጋግጽ ክኢሉ። ኣብ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ኣብ ውሽጢ ኤስያ ካብን ናብን ክስደዱ ካብ ዝፈተኑ ስደተኛታት ኣስታት 5000 ሰባት ከም ዝሞቱን ሃለዋቶም ከም ዝጠፈአን ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት። ዝበዝሑ ካብቶም ዝሞቱ፡ ካብ ሮሆንሀግያን ባንግላድሽን ዝተበገሱ እዮም። እቲ ጉዕዞ ቤንጋልን ባሕቲ ኣንዳማን ዘቋርጽ ኣዝዩ ሓደገኛ’ዩ። ወዲ 37 ዓመት ሙሓመድ ኢልያስ  ሮሂንጋዊ ስደተኛ በዚ መስመር እዚ እናሰገረ እንከሎ ብሓይሊ ባሕሪ ህንዲ ካብ ሞት ዝደሓነ’ዩ። “ኣዚና ጠሚና ነይርና፡ ማይ ዝብሃል ስለ ዘይነበረና ክቱር ጽምኢ ነይሩና። ብኸምዚ ከኣ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ጸኒሕና” ኢሉ። ኣብ ኤስያ እቲ ካልእ ሓደገኛ መስመር ኣብ ሞንጎ ኢራንን ቱርክን ዘሎ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ምስ ተቆጻጸርዋ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎም ኣፍጋናውያን ነዚ መስመር እዚ ክጥቀምሉ ተራእዮም። ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ኣፍጋናውያን ስደተኛታት ኣብ ኢራንን ጎሮባብቲ ሃገራትን ስደተኛታት ኰይኖም ምህላዎም ይገልጽ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cjr91pkgpvyo"} {"headline":"ብዝረኽብዎ ኣጋጣሚ ዝስደዱ ዘለዉ ምሁራን ተጋሩ","content":"ጌትነት ኣጽብሃ ይበሃል። ኣብ ዓለምለኻዊ ትካል ኣይኣርሲ ክኢላ ምዕባለ ትሕዝቶን ላዕለዋይ ሓላፊ ስልጠናን ዝነበረ ጌትነት፡ ኣብ ጥቅምቲ 2021 ምስ ካልኦት 5 ክኢላታት ንስልጠና ናብ ዴንማርክ ተላኢኹ። እቲ ኣብ ኮፐንሃገን ዝተውሃበ ናይ ክልተ ሰሙን ስልጠና ኣብቂዑ እቶም ሰልጠንቲ ክምለሱ እንከለዉ ግን ጌትነት ምስኦም ኣይነበረን። ብዶላር ዝኽፈሎ መሃያ፡ ጽቡቕ ስራሕን ምቹእ ህይወትን ራሕሪሑ “ንመንግስቲን ህዝቢን ዴንማርክ ዕቑባ” ክሓትት መሪጹ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዴንማርክ ኣብ ሓደ መዕቖቢ ስደተኛታት ኣጽሊሉ ዝርከብ እዚ ክኢላ “ናይ መንግስቲ ገንዘብ ከም ጡረተኛ እናተቐበልኩ እየ ዝነበር” ይብል። ዝሓሸ መነባብሮ፡ ጽቡቕ መሃያን ሞያዊ ክብርን ገዲፎም ብዝኸድዎ ስደት ዝመርጹ ከም ጌትነት ዝኣመሰሉ ክኢላታት ሒደት ኣይኮኑን። ቢቢሲ ትግርኛ ንጌትነትን ንድሕነቶም ክበሃል ስሞም ዝተቐየረ ካልኦት ክኢላታትን ኣዘራሪቡ ዝረኸቦ ሓበሬታ ከምዚ ዝስዕብ ይቐርብ። ጌትነት፡ ብሰንኪ እቲ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃንን ሰበስልጣናትን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘካየድዎ “ናይ ጸለመ ፕሮፖጋንዳ” ተወለድቲ ትግራይ፡ “ናይ ስነልቦና ተጽዕኖ ንኽበጽሐና ተገይሩ እዩ” ይብል። ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ከባቢ ሃዋሳን ቡታጅራን ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን ትግራዋይ ብምዃኑ ጥራይ ይጥርጠር፡ “ንምሽቑራርን ንምስቋንን” ይቃላዕን ከምኡ’ውን ንስራሕ ናብ ዝተፈላለዩ ቀበሌታትን ጣብያትትን ኣብ ዝኸደሉ ግዜ ይእሰር ከምዝነበረ ይዛረብ። “ብሕማቅ ዓይኒ ይርእዩኒ… ንዝተወሰነ ግዜ ኣብ ፖሊስ ጣብያ የጽንሑኒ ነይሮም። ምስቶም ኣብ ሃዋሳ ዝነበሩ ናይ ቤት ጽሕፈት ተወከልቲ ብምዝርራብ ይፍታሕ ነይረ።” ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ኲናት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ስደትን ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ከምዝተፈጥረ ይፍለጥ። ምስ እዚ ብዝተኣሳሰር ኣብ ብዙሕ ከባብታት ኢትዮጵያ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ግዳያት መንነት መሰረት ዝገበረ ማእሰርትን ምንግልታዕን ከምዝኾኑ ቢቢሲ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ጸብጺቦም እዮም። “ወዲ ሓወይ ተኣሲሩ ኣበይ ከምዘሎ ኣይፈልጥን” ዝብል ጌትነት፡ ብዙሓት መሓዙቱ “ተጋሩ ብምዃኖም ጥራይ” ተኣሲሮም እዮም ይብል። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ነቲ ክስትታ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ብመንነቱ ዝተኣሰረ ሰብ ከምዘየለ እዩ ዝገልጽ። እቲ ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ኲናት ናብ ካልኦት ክልላት እናለሓመ ምስከደ ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ ግዳያት ጃምላዊ ማእሰርቲን ኣካላዊ መጥቃዕትን ምፍርራሕን ኮይኖም ትካላት ንግዶም’ውን ተዓሺጉ እዩ። ኣብ ሓደ ፌደራል ዩኒቨርስቲ ብዲቨሎፕመንታል ስተዲስ ተሓባባሪ ፕሮፌሰር ዝነበረ ክሩቤል፡ “ኣብ ኲናት ንእሽተይ እንተተደፊኦም ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ትግራዋይ እዮም ዓንጽዓንጸ ዘጋፍዕዎ” ብምባል ነቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ኩነታት የዘኻኽር። ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምግስጋሶም ከቢድ ስግኣት ዝፈጠረሉ መንግስቲ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ብምድንጋግ ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ክወስድ ምጅማሩ ነቲ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍጸም ግህሰት ከምዘጋደዶ እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ስደተኛ ክኢላታት ይሕብሩ። እቲ እዋን እቲ “ትግራዋይ ኮይንካ ምንቅስቓስ ‘ዋእ! ኣይተኣሰርን ድዩ እዚ?’ ዘብል ግዜ እዩ ነይሩ” ዝበለና ካልእ ውህሉል ልምዲ ዘለዎ፡ ተኣምራት እዩ። ካብ ሃገር ክሳብ ዝወጸሉ ግዜ ዳይረክተር ሓደ ፌደራል ትካል ዝነበረን ብስም ዘይንጠቕሶም ዓበይቲ መንግስታዊ ናይ ልምዓት ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ዘስረሐን ተኣምራት ዝኾነ ይኹን ተሳትፎ ፖሊቲካ ከምዘይነበሮ ይገልጽ። “ቀትሪ ለይቲ ብሓላፍነት…ዝሰራሕኽዎም ፕሮጀክትታት ነዚ ሕዚ ተፈጢሩሎ ዘሎ ኩነታት መፈጸሚ ኮይኖም ክርእይ ከለኹ ብጣዕሚ መሕዘኒ እዩ።” ኣሜሪካን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን፡ እቲ ጃምላዊ ማእሰርቲ ተወለድቲ ትግራይ ኣዝዩ ከምዘሻቐለን ገሊጸን ክገልጻ እንከለዋ፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ’ውን ምስቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ብዝዛመድ ዝተኣስሩ ብህጹጽ ክፍትሑ ሓቲቱ ነይሩ። እንተኾነ ግን ዝተርኣየ ለውጢ ኣይነበረን። የግዳስ እቲ ዝፍጸም ዝነበረ ጃምላዊ ማእሰርቲ ዘስግኦም ተጋሩ ንቡር መዓልታዊ ምንቅስቓሳቶም ፈጺሙ ድሩት ክኾን ከምዝገበሮ እቶም ክኢላታት ንቢቢሲ ገሊጾም። “ሙቐት እንከሎ ደገ ክንወጽእ ከለና ምናልባሽ ከይንእሰር እሞ ከይንችገር ኢልና ስረ፡ ጃኬት ደሪብና ንወጽእ ነይርና” ይብል ክሩቤል። ብተወሳኺ’ውን ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ስልክ፡ ኢንተርኔትን ባንክን ስለዝተዓጽወ ተወለድቲ ትግራይ ደሃይ ስድርኦምን መቕርባቶምን ንምስማዕ ኮነ ስሩዕ ስርሖም ንምስላጥ ከምዝተጸገሙ ዝሓበረልና ካልእ ክኢላ ድማ መብራህቶም እዩ። መብራህቶም ኣብ ሓደ መንግስታዊ ኮሌጅ ካብ መምህርነት ክሳብ ምምሕዳራዊ ምክትል ዲን ዝበጽሐን ኣብ ዘይመንግስታዊ ትካላት’ውን ዝሰርሐን ብዓል ልዑል ተሞክሮ እዩ። ብሰንኪ ኲናት ትግራይ እቲ ዝሰርሓሉ ፕሮጀክት ደው ምስበለ ስርሑ ከቋረጽ ዝተገደደን ብድሕሪኡ \"ብሰንኪ ስሙ\" ስራሕ ክረክብ ከምዘይከኣለ ዝገልጽ መብራህቶም እቲ ኩነታት ኣብ ስድርኡን ጸገም ከምዘስዓበ ይዛረብ። ብፍላይ “ኣነ ብዝልእኸላ ነገር እያ ትመሓደር ነይራ” ዝበለን ብዕድመ ዝደፍኣ ኣዲኡ ዝርከባሉ ኩነታት ክፈልጥ ዘይምኽኣሉ ተወሳኺ ሻቕሎት ኮይንዎ። ካብ ስግኣት ጃምላዊ ማእሰርቲ፣ ኣካላዊ መጥቃዕትን ምፍርራሕን ብተወሳኺ ኣብ ጸገም ዘለዉ ወለዲን ስድራን ክሕግዙ ከምኡ’ውን ደሃይ ክሰምዑ ዘይምኽኣሎም ተወሳኺ ጭንቀት ከምዝኾኖም እቶም ክኢላታት ይሕብሩ። መብራህቶም፡ ኣብቲ እዋን ተጋሩ “ብዝተፈላለዩ ናይ ስለላ መሓውር” ካብ ሃገር ንከይወጹ ይእገዱ ወይ ድማ “ብዙሕ ገንዘብ ክኸፍሉ” ይግደዱ ከምዝነበሩ ይገልጽ። ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝተጠቐሰ ጌትነት ንስልጠና ናብ ዴንማርክ ምስከደ እዩ ብኡ ኣቢሉ ተሪፉ። ተኣምራት፡ እዋኑ ዘይሓለፈ ቪዛ ኣሜሪካ ነይርዎ። ኣብ ኤርፖርት ኣብ ኣርባዕተ መፈተሺ ነቑጣታት ተታሒዙ’ኳ እንተነበረ በዓል ስልጣን ዘመድ ዘለዋ ሓንቲ መሓዛ ዘመዱ ስለዝሓገዘቶ ግን ክወጽእ ከምዝኸኣለ ይገልጽ። “መብዛሕትኦም ተጋሩ ናብ ሕክምና ዝኸይድ፡ … ቆጾሮ ዝነበሮ ከይቀረየ ካብ ኢትዮጵያ ከይወጹ ዝኽልከልሉ ግዜ እዩ ነይሩ” ይብል ናይ ካናዳ ቪዛ በጻሕቲ ዝረኸበ ክሩቤል። ኣብ ኤርፖርት ንሓሙሽተ ሰዓት ብሕቶ ከምዘዋጠርዎ፡ ኮይኑ ግን ዝተጸበዮ ነገር ስለዝነበረ ካብ ሰዓቱ ኣዝዩ ኣቐዲመ ብምኻዱ ኣብ መወዳእታ በረራ ከምዘየምለጦ ይገልጽ። መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ስደት ዝተርፉዩ ዘለዉ ክኢላታት ካብ መንግስቲ እተን ሃገራት ዑቕባ ሓቲቶም መልሲ እናተጸበዩ ይርከቡ። ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ካብ ኢትዮጵያ ዝወጹ ተጋሩ ክኢላታት ስለምንታይ እዮም ስደት መሪጾም ኣብ ዝኸድዎ ዝቐርዩ ዘለዉ? “ስደት መሪጸዮ ኣይኾንኩን” ኢሉ ብቑጠዐ ዝመለሰልና ክሩቤል እዩ። ቅድሚ ሕጂ “ዓደይ ይሕሸኒ” ኢሉ ካብ ኣውሮጳ ዝተመለሰ ክሩቤል፡ “ኣብ ዓደይ ክሰርሓሉ ዝኽእል ኩነታት እንተዝህሉ ነይሩ [ኣብዚ] ኣይምቐረኹን” ይብል። ናብ ኢትዮጵያ እንተተመሊሱ ካብቲ እናገደደ ዝኸይድ፡ ንመንነት መሰረት ዝገበረ ግፍዒ “ከምልጥ ከምዘይክእል” ስለዝተረድኦ ጌትነት  ኣብ ዴንማርክ ዕቑባ ሓትቲ። “ወጺአ ክተርፍ እየ ዝብል ሓሳብ ኣይነበረንን” ዝብል ተኣምራት ግን፡ ናፍቖት ደቁን ብዓልቤቱን ምስ በርትዖ ክምለስ ወሲኑ’ኳ እንተነበረ ገዝኡ ፈቲሾም ኣበይ ከምዘሎ ከምዝሓተቱ ምስምዑ ግን “ንከይምለስ ጌይሩኒ። ‘በቃ ኣይዓደይን’ ኢለ ሓሲበ” ይብል። ወሲኹ’እን ከምኡ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ምሁራን ተጋሩ ይስደዱ ከምዘለዉ ይገልጽ። “ኣብዚ ዝነብረሉ ከተማ እኳ ልዕሊ 7 ዝፈልጦም ሰባት ረኺበ እየ።” “ኣብ ዓደይ ክሰርሕ፡ ዓደይ ከገልግል እዩ ነይሩ ድልየተይ” ዝብል መብራህቶም ብወገኑ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ወጻኢ ክተርፍ ድሌት ከምዘይነበሮ ይዛረብ። “ሰባት ብመንነቶም፡ ብመለለይ መንነት እናተለለዩ ክእሰሩ ምስ ጀመሩ ግን ኣዲስ ኣበባ ንተጋሩ ጸልማት እያ ኮይና። ከም ካልእ ኢትዮጵያዊ ከምድልየተይ ተዛሪበ፡ ከም ድልየተይ ሰሪሐ ናብራይ ክመርሕ ኣይክእልን” ይብል። ወሲኹ'ውን “ቅሳነት ዝበሃል ነገር ኣይነበረንን። ኩሉ ትግራዋይ ኣይነበሮን” ይብል። ምስ መሓዙቱ ተጸጊዑ ዝነብር ዘሎ ተኣምራት፡ “ጽቡቕ ስራሕ ዝነበረኒ፡ ደቀይ ኣብ ጽቡቕ ዘምህር ሓዳረይ ብጽቡቕ ዝመርሕ ዝነበርኩ፡ ሕዚ ገንዘብ እኳ ክሰደላ ኣብ ዘይክእለሉ ኩነታት እየ ዘለኹ” ኢሉ ናብራ ስደት ከምዘይጠዓሞ ገሊጹልና። “ናተይ ክጻወሮ ይኽእል እየ፡ ቤተሰበይ ግን ኣብ ከቢድ ችግር ይግነዩ። ካብ ኣእሩኽተይ እናተወሃቦም ይነብሩ ኣለዉ…ሕማቕ ግዜ የሕልፉ ከምዘለዉ ይርድኣኒ።” ኩነታት ስድርኡ ክፈልጥ ዘይከኣለ ጌትነት’ውን “ዓብዪ ጭንቀት፡ ዓብዪ ጸገም ፈጢሩለይ’ሎ” ይብል። “ካብቲ ዝነበርክዎ ጽቡቕ ህይወት፡ ካብቲ ዝለመድክዎ ማሕበራዊ ህይወት፡ ካብቲ ዝለመድክዎ ማሕበረሰብ… ዝለመድካዮም ነገራት ብቕጽበት ክትስእኖም ከለኻ ህይወትካ ሚዝራብል [ስቃይ ተመልኦ] እዩ ዝገብሮ።” ኣብ ልዕሊ’ዚ ተጸባዪ መንግስቲ ምዃኑ ኣእምሮ ዝትንክፍ’ኳ እንተኾነ ብኣንጻሩ ካብቲ ስነኣእምሮኣውን ኣካላውን መጥቃዕቲ “ብምምላጠይ ደስ ይብለኒ” ይብል። “ኣብዚ… ብሰላም ወጺአ ይኣቱ። ናይ ኣእምሮ ዕረፍቲ ኣለኒ። ስግኣት ስለዘይብለይ… ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ኣለኹ ኢለ ክምስክር ይኽእል።” ክሩቤል ብወገኑ “ትግራዋይ ኮይነ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምላስ ማለት በቃ ናብ ገሃነመ ነፍሳት ምምላስ ማለት’ኮ እዩ” ይብል። “መዓልቲ መዓልቲ ኣሰሩኒ እናበልኩ ኣብ ጸሓይ ምድሪ ክልተ ስረ፡ ክልተ ጃኬት ካብ ምግባር ተገላጊለ። ናይ ሕሊና እሱር እየ ነይረ፡ ናይ ሕሊና ነጻነት ረኺበ” ክብል ካብ ስደት ዝረኸቦ ስምዒት ይገልጽ። “ኣብዚ ዋላ ብዙሕ ነገር እንተቸገረኒ…  ትግራዋይ ብምዃነይ ኣይጋፋዕን። ትግራዋይ ብምዃነይ ኣይሳቐይን።” ብኣንጻሩ ግን ኢትዮጵያ፡ ንህዝቢን ንሃገርን ከገልግሉ ዝኽእሉ ልዑል ስልጠና ዝወሰዱ ክኢላታት ትስእን ከምዘላን እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ርኡይ ማሕበራዊ፡ መንግስታውን ቁጠባውን ጽልዋ ከሕድር ከምዝኽእልን እቶም ክኢላታት ንቢቢሲ ገሊጾም። መብራህቶም፡ ብቀንዱ ኣገደስቲ ክኢላታት ካብ ሃገር ምውጽኦም “ዓብዪ ጉድኣት ኣለዎ ኢለ እየ ዝኣምን” ይብል። ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ዝነበራ ኣዎንታዊ ገጽታ ንክበለሾ ዓብዪ ምኽንያት ክኸውን ከምዝኽእል ዝገልጽ ድማ ጌትነት’ዩ። መንግስቲ “ክረኽቦ ዝግባእ ኣታዊ ኣይረክብን ማለት እዩ። እዚ ድማ ኣብቲ ዓዲ ዘሎ ቁጠባዊን ማሕበራውን ኩነታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ንክበላሸ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ” ይብል። “ኣብ ኣእምሮይ ዓዲ ዝብል ዝነበረኒ እምነት ክፈርስ ስለዝተገብረ፡ ስለዝቀሃመ ዓደይ ዝብሎ ቦታ የብለይን” ዝብል መብራህቶም ናብ ኢትዮጵያ ዝምለሰሉ ተኽእሎ ከምዘይረኣዮ እዩ ዝገልጽ። ኣብቶም ኣብ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ፡ ፖሊቲካውን ዲፕሎማሲያውን ምዕባለታት ኢትዮጵያ ዘይነዓቕ እጃም ዘበርከቱ ተወለድቲ ትግራይ “ብመንግስቲ ኾነ ብውልቀሰባት ብዙሕ ግፍዒ” ከምዝወረደ ዝገልጽ ጌትነት ናብ ኢትዮጵያ ክምለስ ድልየት ከምዘይብሉ ንቢቢሲ ትግርኛ ሓቢሩ። ተኣምራት’ውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይሓስብን። ክሩቤል ብወገኑ “ትግራይ ከም ዓዲ ጠጠው እንተይላ ናብ ዓደይ ክምለስ ባህጊ ኣለኒ።…ኣብ ዓደይ ብሰላም ክሰርሕ እንተኽኢለ ንህዝበይለ ንባዕለይለ ክሕግዝ ክምለስ እየ። እዚ እንተዘይኮይኑ ኢትዮጵያ ሃገረይ እያ ኢለ ናብ ኢትዮጵያ ዝምለሰሉ ኩነታት ዘሎ ኣይመስለንን። እንድዒ፡ ንርእዮ” ኢሉና። ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ተወለደቲ ትግራይን ዘሎ ርክብ “ብዝተፈላለየ መገዲ ክብተኽ” ከምዝተገብረ ዝኣምን መብራህቶም ድማ “ትግራይ ድሕሪ ሕዚ ዓዲ ትኾነሉ መንገዲ ዝፍጠር ይመስለኒ” ይብል። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዳግማይ ኲናት ከምዝተወልዐ ዝፍለጥ እዩ። እቲ ኲናት፡  ዝያዳ ማእሰርቲ፡ ምግፋዕን ስደት ክኢላታትን የስዕብ'ዶ ይኾን ዝብል ስግኣት ኣብ ተወለድቲ ትግራይ ክዓስል ገይሩ እዩ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cg31zlm9w9jo"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ \"ትግራይ ኣብ ዝኣዘዘትኒ ክሰርሕ'የ\"","content":"ኣብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብረዳት ኣብራርነት ንሸሞንተ ዓመታት ዝሰርሐ ሓለቓ ምኢቲ ተኽለብርሃን ወልደስላሴ ካብቲ ትካል ብትግራዋይነቱ ካብ ስራሕ ከምዝተኣገደን ሎሚ ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ብናይ መሸጣ ክዳዉንቲ ይናበር ከምዘሎን ንቢቢሲ ገሊጹ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/61950008"} {"headline":"ብሰኑይ፡ 'ኣብዚ ዓመት ዝለዓለ ቝጽሪ' ዝተባህለ ብዝሒ ስደተኛታት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ሰጊሮም","content":"ብሰኑይ ጥራይ ኣብ 14 ንኣሽቱ ጀላቡ ኣስታት 700 ስደተኛታት መትረብ ዓዲ እንግሊዝ [እንግሊሽ ቻነል] ብምስጋሮም፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝበዝሑ ስደተኛታት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝሰገሩላ መዓልቲ ኰይና ተመዝጊባ ኣላ። ሚኒስትሪ ምኽልኻል ዓዲ እንግሊዝ ብሰኑይ 696 ስደተኛታት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከምዝኣተዉ ብምሕባር፡ ነቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ሓደ መዓልቲ ሰጊሮም ተባሂሉ ተመዝጊቡ ዝነበረ 651 ዝበልጽ ቍጽሪ ብሰኑይ ከምዝተመዝገበ ገሊጹ። ሰብ መዚ ፈረንሳ’ውን ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ነፍሲ ወከፈን 35 ስደተኛታት ጽዒነን ዝነበራ ክልተ ጀላቡ ክሕዙ ምኽኣሎም ገሊጾም። ኣብዛ ገና ክትዛዘም ሓሙሽተ ኣዋርሕ ተሪፍዋ ዘሎ ዓመተ 2022፡ ካብ ፈረንሳ ተበጊሶም፡ ነቲ መራኽብ ብብዝሒ ዝሰጋገራሉ ብርቱዕ ማዕበል ዘለዎ መትረብ ዓዲ እንግሊዝ ብምስጋር፡ ልዕሊ 17 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዮም ምህላዎም ሰነዳት ዓዲ እንግሊዝ ይሕብር። ኣብ 2020፡ 8404 ስደተኛታት ካብ ገማግም ፈረንሳ ብንኣሽቱ ጀላቡ ገይሮም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክሰግሩ እንከለዉ ኣብ 2021 ግን እቲ ቝጽሪ ናብ 28526 ክብ ኢሉ። መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2022፡ ብዘይሕጋዊ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ብምስዳድ፡ ኣብ ርዋንዳ ኰይኖም ሕቶ ዑቕባኦም ክሓቱ ዘገድድ ሕጊ ምጽዳቓ ይዝከር። እንተዀነ እታ ትሕቲ ዓሰርተ ስደተኛታት ሒዛ ናብ ርዋንዳ ክትብገስ ተዳልያ ዝነበረት ነፋሪት፡ ነቲ ምግዓዝ ስደተኛታት ዝቃወም ሕጋዊ መስርሕ ስለዝተለዓለ፡ ካብ በረራ ደው ክትብል ምግዳዳ ዝዝከር እዩ። ወሃቢ ቃል መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ “ቍጽሪ ናይቶም በዚ ሓደገኛ መስመር እዚ ዝሰግሩ ስደተኛታት ምውሳኹ ዘይቕቡል’ዩ” ኢሉ። “ሰባት ኣክንዲ ንህወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ነቶም ኣስሓኮ ዘይብሎም ገበነኛታት ሰልዲ ከፊሎም ነዚ መትረብ ዝሰግሩ፡ ኣብታ መጀመርታ ዝረገጽዋ ድሕነታ ዝተሓለወ ሃገር’ዩም ዑቕባ ክሓቱ ዘለዎም፡” ይብል። እቲ ወሃቢ ቃል ኣስዒቡ፡  መንግስቲ “ነዞም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብዚ ዝኣትዉ ዘለዉ ናብ ካልእ ሃገር ንምስግጋር ብቐጻሊ ይሰርሕ ኣሎ፣ ስለዚ እዚ ንዕሉላት ገበነኛታት ሰልዲ ከፊልካ ዝግበር ጕዕዞ ዘየድልን ዘይሕጋውን’ዩ” ኢሉ። ኣባል ባይቶ ዓቓባዊ ሰልፊ ዝዀነት ናታልየ ኢልፒክ ብወገና፡ ነዞም ስደተኛታት ንምግታእ መንግስቲ ፈረንሳ ዝያዳ ኣብርቲዑ ክሰርሕ ጻውዒት ኣቕሪባ። “ፈረንሳ ነዞም ስደተኛታት ናብቲ ህይወት ዝቐዝፍ ሓደገኛ ጕዕዞ ካብ ምእታው ክትገትእ፡ ነቶም ውዱባት ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ደው ከተብል ሞራላውን ዓለምለኻዊ ሕጋዊን ግዴታ ኣለዋ፡” ኢላ። ኣስዒባ “እቲ ዝመጽእ ቀዳማይ ሚኒስተር ቀዳመነት ሂቡ ክሰርሓሉ ዘለዎ ጉዳይ ነዚ ቅልውላው እዚ ምፈታሕ ክኸውን ኣለዎ” ኢላ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c97yl3y45n1o"} {"headline":"\"ካብተን ምሳና ዝነበራ 26 ኣዋልድ እተን 23 ተዓሚጸን\" ኤፍሬም ሱራፊኤል","content":"ኤፍሬም ሱራፊኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ዝዓበየ መንእሰይ'ዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ጀርመን ዝቕመጥ ኰይኑ በረኻታት ሰሃራን ሊብያን ሰጊሩ ናብቲ ዝቕመጠሉ ዘሎ ሃገር ንኽኣቱ ኣብ ጕዕዞኡ ካብ ኣእምሮኡ ዘይሃስስ ፍጻመ ከምዘለዎ ንቢቢሲ ገሊጹ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1dyvygzrlo"} {"headline":"‘ከም ሲኦል’ ኣብ ዝሞቓ መካይን ተዓፊኖም ዝሞቱ ዘለዉ ስደተኛታት","content":"ከም ዓሳታትን ጽዕነትን ተጸፍጺፎም፡ እንተወዲቕዎም ክሰብሮም ዝኽእል ኣቑሑት ተወሲኽዎምን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዶብ ሜክሲኮ ኣቋሪጾም ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ዝፍትኑ ስደተኛታት፡ ኣብ ጕዕዞኦም ከቢድ ስቓይን መከራን ከም ዝርእዩ ይገልጹ። ጋብርኤላ ድሕሪ ክልተ ዘይሰመሩ ፈተነታት፡ ኣብ ትሕቲ ቃንጫ ዕፉን ዝመልአት ናይ ሓደ ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ መኪና፡ ብሙቐት እናተሞሽሎቐትን ትንፋስ እናሓጸራን ዶብ ኣሜሪካ ጥሒሳ ንምእታው ትፍትን ነይራ። እዛ ጓል 40 ዓመት ቦሊቭያዊት፡ ጕዕዞኣ ንዘሳልጡላ ኣሰጋገርቲ 10 ሽሕ ዶላር ብምኽፋል፡ ኣስታት 7,742 ኪሜ ተጓዒዛ ኣብ ጫፍ ደቡባዊ ክፋል ካሊፎርንያ በጺሓ ነይራ። እቶም ዝሓለፉ ክልተ ፈተነታት ኣይሰመሩላን። ኣብቲ ዝሓለፈ ግዜ ዝገበረቶ ፈተነ፡ ነቲ ተሓቢኣትሉ ዝነበረት ናይ መኪና መቐመጢ ባልጃ ከፊቱ ምስ ዝረኸባ “ፍሩይ ሰማያዊ ዝኣዒንቱ” ሓላዊ ዶብ ከም ዝተፋጠጠት ትዝክር። ኣብቲ እዋን ድማ ምስቶም ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ ስድራቤታ ንምርኻብ መዓልቲታት ጥራሕ ተሪፍዋ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ ኣብቲ ኣየር ዘይረክብ ዳሕረዋይ ክፋል መቐመጢ ባልጃ እታ መኪና  ኰይና፡ ብህይወት ክተርፍ ድየ ዝብል ጭንቀት ጥራሕ እዩ ዝነበራ። “ውሽጢ እታ መኪና ሓዊ ኰይኑ ነይሩ” ክትብል ትዝክር፡ እታ ኣብዚ እዋን ሰነድ ዘይብላ ስደተኛ ኰይና፡ ኣብ ስራሕ ጽሬት ተዋፊራ፡ ኣብ ኣሜሪካ ትነብር ዘላ ጋብሪኤላ። “እቲ ዓቢ ጸገም ግን ኣብታ መኪና ኣየር ከምዘየለ እዩ ዝስመዓኒ ነይሩ፤ ክተንፍስ ኣይከኣልኩን። ዝዕፍን እዩ ነይሩ።” ዋላ'ኳ ስግኣት እንተነበራ ጕዕዞኣ ግን ሰሊጡ፤ ኣሜሪካ ካብ እትኣቱ ዓመት ገይራ ኣላ። ኵሉ ግን ኣይኮነን ዝቐንዖ። እቲ ኣብዚ ቕንያት ኣብ ቴክሳስ፡ 53 ስደተኛታት ኣብ ሓንቲ መኪና ሞይቶም ዝተረኸቡሉ ዘሕዝን ክስተት፡ እቲ ሓደጋ ማዕረ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ዘዘኻኸር ኰይኑ ኣሎ። እቶም ስደተኛታት በቲ 39́ ዲግሪ ሰንቲግሬድ ዝበጽሕ ሓያል ዋዒን ጽምእን ሞይቶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ሰብ መዚ ይግምቱ። “ኣብ ሓንቲ ተሰሓቢት፡ ብዙሓት ሰባት ተጸቓቒጦም ክህሉ ዝኽእል ኵነታት ክግምቶ ይኽእል እየ” ትብል ጋብርኤላ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ጻንሒት። “ሓያል ሙቐት እዩ ዝኸውን፤ ኣብ እቶን ከም ዝኣተኻ ወይ ኣብ ኣፍደገ ሲኦል ከም ዝበጻሕካ ይስመዓካ ይኸውን።” እቲ ተጓንፎ ኣብ ቀረባ እዋናት ካብ ዘጋጠሙ እቲ ዝኸፍአ ብዙሓት ዝሞትሉ እዩ። እቶም ግዳያት ልዕሊ 20 ሜክሲካውያን፣ 14 ደቂ ሆንዱራስ፣ ክልተ ጓቲማላውያንን ክልተ ሳልቫዶራውያንን የጠቓልል። ምስ ምስግጋር እቶም ግዳያት ብዝተሓሓዝ፡ ሰለስተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ሰብ መዚ ኣሜሪካ ገሊጾም ኣለዉ። ኣውቲስታ ድማ ምስቶም ብህይወት ዝተረፉ ግዳያት ተመሳሲሉ ካብ ማእሰርቲ ንምህዳም ከም ዝፈተነ ተገሊጹ ኣሎ። ብሰንኪ እቲ ሓያል ሙቐት ጉድኣት ወሪድዎም ብህይወት ዝተረፉ ስደተኛታት ድማ ሕክምናዊ ናብዮት ይግበረሎም ኣሎ። ተሓላቒት መሰል ስደተኛታትን ነበር ሰራሕተኛ ሓለዋ ዶብን ጄን ቡድ፡ ስደተኛታት ኣብ መኪና ሓቢእካ ንምስግጋር ዝግበር ፈተነታት፡ ኣብ ዶብ ሜክሲኮ መዓልታዊ ከምዘጋጥምን መብዛሕትኡ ድማ ብሞት ከም ዝዛዘምን ትገልጽ። ሓደገኛ ምዃኑ'ኳ እንተፈለጡ፡ ረብሓኦም ጥራይ ዘቐድሙ ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ግን ብዙሓት ሰባት ጸፍጺፎም ኣብ መኪና ይጽዕኑ። ሓደ ግዜ ጐቦታት ኣብ ዝበዝሕዎ ከባቢ ዶብ፡ ሓንቲ ፒክኣፕ ዝዓይነታ ኣረጊት ፎርድ ዝዓይነታ ናይ ጽዕነት መኪና እናተጓዓዘት ረኺባ። ነታ መኪና ምስ ፈተሸታ 30 ዝዀኑ ሰባት ኣብ ሓድሕዶም ተደራሪቦም ደቂሶም ረኺባ። “ከም ዓሳታት ተጸፍጺፎም ነይሮም” ትብል። “ኣዐርዩ ሓደገኛ እዩ፤ ከምአን ዝበላ መካይን ይግልበጣ እየን። ብታሕቲ ዝዀኑ ሰባት ይዕፈኑ እዮም፤ ልሙድ እዩ።” ብተወሳኺ እቶም ኣስገርቲ ነቲ ናይ መዓልቲታት ጕዕዞ ናይ 15 ወይ 30 ደቒቓ ጕዕዞ ከምዝዀነ ብምዝራብ ነቶም ስደተኛታት ከም ዘዐሽውዎም ትገልጽ። ዋላ'ኳ ሓደገኛ እንተዀነ፡ ኣብ ዶብ ሜክሲኮን ኣሜሪካን ናይ ዝበጽሑ ስደተኛታት ቍጽሪ ኣብ ዝለዓለ በጺሑ ኣሎ። ፕረዚደንት ሜክሲኮ ኣንድርያስ ኦብራዶር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ማእከላይ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ዘሎ ድሕነትን ተስፋ ምቑራጽን ጠንቂ ሞት ስደተኛታት ከምዝኾነ ተዛሪቡ። ንሱ ልሕሉሕ ቍጽጽር ዶብ እውን ከም ምኽንያት ይወስዶ። እቲ ኣብዚ ሰሙን ዘጋጠመ ሓደጋ እንክስማዕ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝነበረ ፕረዚደንት ጓቲማላ ኣሌሳንድሮ ጊያማተይ እውን ድኽነት፡ ክሊማዊ ለውጥን ጸገም ድሕነትን ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ ክኸዱ ዝድርኹ ምኽንያት እዮም ኢሉ። ነዚ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዕጋት ድማ፡ “መናድቕ ሃብቲ” ክንሃንጽ ኣለና ይብል። ኣብ ዝሓለፈ፡ እቲ መራሒ፡ ማእከላይ መርገጺ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት፡ ጌጋ ርድኢት ፈጢሩ እዩ ብምባል ተዛሪቡ ነይሩ። ሰልፊታት ዲሞክራትን ሪፐብሊካንን፡ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ዶብ ፕረዚደንት ባይደን፡ ፖለቲካዊ ምምቕቓል ከም ዘስዓበ ብምጥቃስ ሓድሕዶም ይካሰሱ። ፖሊሲታት እቲ ፕረዚደንት ከቢድ ሳዕቤን ኣውሪዶም እዮም ክብል ዝወቅስ ኣባል ሪፓብሊካን ዝኾነ ኣመሓዳሪ ቴክሳስ፡ ግሬግ ኣቦት፡ “በቲ ሞት ተሓታቲ ባይደን እዩ” ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። ድሕሪ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ሞት ስደተኛታት፡ ኣብ ልዕሊ ኣሰጋገርቲ ሰባት ከቢድ ስጕምቲ ከም ዝወስድ ፕረዚደንት ባይደን ተሓንዩ ኣሎ። እንተኾነ ከም ኣንድሪው ሩድማን ዝኣመሰሉ ኣጽናዕቲ ግን፡ ቅዋም መግስታት ኣሜሪካን ሜክሲኮን'ኳ እንተኾነ እቲ ጸገም አብ ሓጺር እዋን መፍትሒ ክረክብ ከም ዘይክእል ይዛረቡ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd10nkn5e80o"} {"headline":"ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራይ፡ 1200 ስደተኛታት ኢጣልያ ኣትዮም","content":"ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት፡ ብውሕዱ 1200 ስደተኛታት ብጃልባ ናብ ኢጣልያ ከምዝኣተዉ ሰብ ስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም። እቶም ስደተኛታት ካብ ኤስያ፡ ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ተበጊሶም ናብ ወደብ ሲሺልያ ከምዝኣተዉ እቶም ሰብ ስልጣን ኣብሪሆም። ብመሰረት'ቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ 674 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ካላባርያ ካብ ምጥሓል ዝደሓኑ ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣብታ ተሳፊሮማ ዝነበሩ ጃልባ መግፈፊት ዓሳ፡ ሓሙሽተ ሬሳታት ተረኺቡ። እቶም ኣብ ካልኣይቲ ጕጅለ ዝነበሩ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ 15 ጀላቡ ዝተሳፈሩ፡ 522 ካብ ምጥሓል ድሒኖም ብቐዳም ናብ ላምፔዱሳ ዝኣተዉ’ዮም። እተን ናብ ላምፔዱሳ ዝኣተዋ ንኣሽቱ ጀላቡ፡ ካብ ሊብያን ቱኒዝያን ዝተበገሳ እየን። ላምፔዱሳ መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ካብ ሃገራት ቱኒዝያን ሊብያን ተበጊሶም ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ዝደልዩ ስደተኛታት ከም መርግጺ እግሪ ዝጥቀሙላ ደሴት እያ። እቶም ካብ ምጥሓል ዝደሓኑ ስደተኛታት ዜጋታት ኣፍጋኒስታን፡ ፓኪስታን፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ምዃኖም’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ኣንሳ ዝተባህለት ማዕከን ዜና ኢጣልያ፡ እቲ ስደተኛታት ንግዚኡ ዝዕቈብሉ ኣብ ሲሺልያ ዝርከብ ማእከል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ልዑል ቍጽሪ ዘለዎም ስደተኛታት ይቕበል ከምዘሎ ገሊጻ። ብመሰረት እታ ማዕከን ዜና ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቲ ግዝያዊ መዕቈብ ስደተኛታት፡ 350 ሰደተኛታት ጥራይ ክሕዝ ዓቕሚ ዘለዎ ኰይኑ፡ ኣብዚ ስዓት ግን 1184 ስደተኛታት ኣዕቍቡ ኣሎ። ወተሃደራት ሓለዋ ባሕሪን ኣብ ምድሓን ስደተኛታት ዝነጥፉ ዘይመንግስታውያን ትካላትን፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዓመታዊ ኣማኢት ስደተኛታት ካብ ምጥሓል ከምዝድሕኑ ይፍለጥ። ካብ ሃገራት ኣፍሪቃን ኤስያን ናብ ኣውሮጳ ንምእታው ንማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጽካ ዝግበር ጕዕዞ እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ መስመር ምዃኑ እዩ ዝግለጽ። ኣብ 2021 ጥራይ ኣብዚ መስመር እዚ ኣስታት 3231 ስደተኛታት ሃለዋቶም ከምዝጠፍአ፣ ወይ’ውን ሞይቶም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፡ እቶም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ኣብ ጕዕዞ እንከለዉ ጀልባ ምስ እትበላሸዎም፡ ነቶም ስደተኛታት ኣብ ጃልባ ገዲፈሞም ከምዝኸዱ ይግለጽ’ዩ። እዚ ኣብ ሓደ መዓልቲ ልዑል ቍጽሪ ዘለዎም ስደተኛታት ናብ ዓዲ ጣልያን ምእታዎም፡ ነቶም ኣብ እዋን ጐስጓስ ንምርጫ ኢጣልያ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምቍጽጻር ቃል ዝኣትዉ ዘለዉ ሕሉፋት የማናውያን ከኽስቦም ከምዝኽእል ይግለጽ። መራሒት እቲ ሰልፊ ጆርጅያ መሎኒ፡ ንዋሕዚ ስደተኛታት ምሉእ ብምሉእ ክትገትኦ ምዃና’ያ ትመባጻዕ ዘላ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cqqd5nyq62qo"} {"headline":"46 ስደተኛታት ኣብ ናይ ጽዕነት መኪና ሞይቶም ተረኺቦም","content":"ኣብ ቴክሳስ፡  ኣብ ጥቓ ከተማ ሳን ኣንታንዮ፡ ስደተኛታት ከምዝኾኑ ዝተገለጹ ብውሕዱ 46 ሰባት ኣብ ሓንቲ ዝተደርበየት ዓባይ ናይ ጽዕነት መኪና ሞይቶም ተረኺቦም። ሰብ መዚ ምክልኻል ባርዕ እቲ ከባቢ፡ ኣርባዕተ ህጻናት ዝርከብዎም 14 ሰባት ብህይወቶም ከምዝጸንሑን ናብ ሆስፒታል ከምዝተወሰዱን ብምሕባር፡ እቶም ብህይወት ዝተረፉ ብብርቱዕ ዋዕን ሃሩርን ተጠቒዖም ምጽንሖም ገሊጾም። ትማሊ ሰኑይ ኣብ ሳን ኣንታንዮ ብማእከላይ ገምጋም 34 ዲግሪ ሴንቲ ግሬት’ዩ ውዒሉ። ከተማ ሳን ኣንታንዮ፡ ካብ ዶብ ሜክሲኮን ኣሜሪካን 250 ኪሎሜተር ርሒቓ ትርከብ ከተማ ኮይና፡ ቀንዲ መተሓላለፊት ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ምዃና ይፍለጥ። እቶም ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ሕጋዊ ወረቐት ዘይብሎም ስደተኛታት ንምስግጋር፡ ናብ ዶብ ኣሜሪካ ንዘስግርዎም ሰባት ኣብ ጽምው ዝበለ ቦታ ተጸብዮም ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ተጠቒሞም’ዮም ካብን ናብን ዘሰጋግርዎም። ከንቲባ ከተማ ሳን ኣንቶንዮ ሮን ኔረንበርግ፡ “እዞም ሰባት ስደራ ኣለዉዎም፡ ምናልባት ዝሓሸ ህይወት ንምንባር ኢሎም እዮም ናብዚ መጺኦም፡ እንሀለ ኸኣ ብዘሰንብድ ኩነት ሞይቶም ተረኺቦም” ኢሉ። ሰብ መዚ ህይወት ኣድሕን እቲ ከባቢ ብዛዕባ እታ መኪና ሓበሬታ ምስ በጽሖም፡ ብኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ምሽት  ናብቲ ቦታ ከምዝበጽሑ ላዕለዋይ ሓላፊ ምክልኻል ባርዕ እታ ከተማ ቻርለስ ሁድ ንጋዜጠኛታት ገሊጹ። እቲ ሓላፊ “ነታ መኪና ከፊትና ምስ ርኣናያ፡ ኣብ ርእሲ ርእሲ ዝተጸፋጸፈ ሬሳታት ክጸንሓና ዋላ ሓደ ካባና ዝገመተ ኣይነበረን” ኢሉ። ነሱ ብምስዓብ፡ እታ መኪና መራሒኣ ኣብቲ ቦታ ገዲፍዋ ከምዝኸደን፡ ዝሰርሕ ኣየርኮድንሽን ዘይነበራን ነቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ዝኾነ ማይ ከምዘይገደፈሎምን ገሊጹ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሜክሲኮ ማርሴሎ ኢልብራድረ፡ ካብቶም ብህይወት ተረኺቦም ናብ ሆስፒታል ዝተወሰዱ እቶም ክልተ ደቂ ጎቲማላ ከምዝኾኑ ሓቢሩ። መንነት ናይቶም ዝሞቱ ግን ዛጊት ኣይተሓበረን ዘሎ። ምስ ሞት ናይዞም 46 ሰባት ብዝተሓሓዝ ሰለስተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ጉዳዮም ይጻረ ከምዘሎ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ብ2017’ውን 10 ስደተኛታት ብተመሳሳሊ ኣብታ ከተማ ኣብ ውሽጢ ዓባይ መኪና ሞይቶም ከምዝተረኸቡ መዛግብቲ ይሕብሩ። ከተማ ሳን ማሪኖ፡ ምስ ዶብ ሜክሲኮ ዝራኽብ ክልተ ዓበይቲ ጎዶናታት ዘለውዋ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ትርከብ ከተማ እያ። ነቲ ጉዳይ ዝምርምር ዘሎ ኣለጃንድሮ ማዮረካስ “እዞም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ፡ ብዛዕባ መኽሰቦም’ምበር ብዛዕባ እቶም ዝሰግሩ ቅንጣብ’ውን ትኹን ድንጋጸ ዘይብሎም ፍጥረት’ዮም” ኢሉ። ካብ ሰልፊ ሪፓብሊካን ዝኾነ ገዛኢ ቴክሳስ ግረግ ኣቦት፡ “ብሰንኪ ዶብ ከምድላይካ ክኸፍት ዘፍቅድ ዝተኸተሎ ፖሊሲ” ብምባል ንፕረዚደንት ጆ ባይደን ተሓታቲ’ዩ ኢልዎ። ኣንጻር ግረግ ዝወዳደር ኣባል ሰልፊ ዲሞክራትስ ቤት ኦሮርከ ብወገኑ፡ እቲ ጸብጻብ ዘሰንብድ ምዃኑ ብምግላጽ ቅልጡፍ መርመራ ክግበር ጸዊዑ “ነቲ ዓንኬል ናይ ኣሰጋገርቲ ብምብታኽ ስደተኛታት ብሕጋዊ መንገዲ ካብን ናብን ክንቀሳቐሱ ብዘኽእል ስርዓት ክትካእ ኣለዎ” ኢሉ። ኣብ ኣሜሪካ፡ ጉዳይ ናይቶም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ብሓደገኛ መንገዲ ካብ ሜክሲኮ ናብ ኣሜሪካ ዝኣትዉ ስደተኛታት ዓቢ ፖሎቲካዊ ዛዕባ እዩ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3g3p3j45wyo"} {"headline":"ክፍሊ ምክልኻል ኣሜሪካ ንዝቐረበሉ ሕቶ ምግዓዝ ስደተኛታት ነጺጕ","content":"ሰራዊት ምክልኻል ኣሜሪካ ካብ ዶባዊ ግዝኣታት 'ታ ሃገር ናብ ከተማ ዋሺንግተን ዲሲ ዝጓዓዓዙ ሰነዳት ዘይብሎም ኣሽሓት ስደተኛታት ብዝተሓሓዝ ሓገዝ ክገብር ካብ ከንቲባ እታ ከተማ ንዝቐረበሉ ሕቶ ነጺግዎ። ነቲ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብዝሒ ንምቅላል ስደተኛታት ዝፀዓና ኣውቶቡሳት ናብ ርእሰ ከተማ ኣሜሪካን ከተማ ኒውዮርክን ይጓዓዛ ከምዘለዋ ግዝኣታት ኣሪዞናን ቴክሳስ ኣፍሊጠን ኣለዋ። ሰበስልጣን ኒውዮርክ ብወገኖም፡ \"ደቂ ሰባት ከም ፖለቲካዊ ትሕጃ\" ይጥቀማሉ ኣለዋ ክብሉ ነተን ግዝኣታት ከሲሶም። ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ዝሰግሩ ስደተኛታት ብዝሖም ናብ ዝለዓለ ደረጃ ከምዝበጽሐ ይግለጽ። ዓቃባውያን፡ ንፖሊሲታት ኢሚግሬሽን ፕረዚደንት ጆ ባይደን ከምኡ'ውን ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ መብዛሕትኦም ሓተትቲ ዑቕባ ተቐባልነት ከይህልዎም ክገብር ንዝፀንሐ መምርሒ ክለዓል ንዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ይነቕፉ። ብዓርቢ፡ ከንቲባ ዋሽንግተን ዲሲ ሙሪኤል ቦውሰር፡ ወተሃደራት ሃገራዊ ሓለዋ ነቶም ስደተኛታት ንምጕዕዓዝ ኣብ ዝካየድ መስርሕ ክሕግዙ ዘቕረበቶ ሕቶ ብቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣሜሪካ ከምዝተነጽገ ተገሊጹ። ዋና ጸሓፊ ምክልኻል ኣሜሪካ ሎይድ ኦስቲን፡ እቶም ሰራዊት ናብታ ከተማ ንዝኣትዉ ስደተኛታት ኣብ ምቕባል ክሕግዙ እንተድኣ ተንቀሳቒሶም፡ \"ድልውነቶም\" ክጽሎ ከምዝኽእል ምሕባሩ ሓደ በዓል ስልጣን ምክልኻል ኣሜሪካ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ተዛሪቡ። ብዓርቢ ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ከንቲባ ቦውሰር፡ እታ ከተማ ዳግማይ \"ተወሳኺ ንፁር ዝዀነ ሕቶ ሓገዝ\" ከም እተቕርብን፡ ንመኽዘን ኣጽዋር ዋሺንግተን ዲሲ ወይ ኣብ ቀረባ ንዝርከቡ ወተሃደራዊ መዓስከራት ናብ ማእከላት መፈጸሚ ጉዳያት ስደተኛታት ንምቕያር ክትሰርሕ ምዃና ኣተሓሳሲባ። እታ ከንቲባ፡ ስደተኛታት \"ተታሊሎም\" ነቲ ጕዕዞ ይገብሩ ከምዘለዉ ብምሕባር፡ ምምጻኦም ነታ ከተማ \"ቅልውላው\" ክትብል ገሊጻቶ። ንሳ ኣባላት ሪፓብሊካን ንዝዀኑ ኣመሓደርቲ ግዝኣታት ኣሪዞናን ቴክሳስን “ጭካነ ዝተመልኦ ፖለቲካዊ ጸወታ\" ዝጻወቱ ክትብል ዝነቐፈት ኰይና፡ \"ተስፋ ንዝቘረጹ ሰባት ተጠቒሞም ፖለቲካዊ ነጥቢ ንምምዝጋብ ከምዝወሰኑ\" ገሊጻ። ኣመሓዳሪ ቴክሳስ ግረግ ኣቦት ስደተኛታት ዝጸዓና ኣውቶቡሳት ናብ ከተማ ኒውዮርክ ምልኣኽ ከምዝጀመረ ብዓርቢ ገሊጹ ነይሩ። ካብ ሚያዝያ ጀሚሩ ድማ ብውሕዱ 5200 ስደተኛታት ናብ ዋሽንግተን ልኢኹ ኣሎ። ካብ ቦሊቭያ፡ ኮሎምብያ፡ ኤኳዶር፡ ሆንዱራስን ቬንዙዌላን ዝመጹ ኣስታት 50 ስደተኛታት ኣብ መዕርፎ ኣውቶቡሳት ማንሃታን ወሪዶም ኣለዉ። ኣመሓዳሪ ቴክሳስ ኣቦት፡ ፕረዚደንት ባይደን \"ዶብ ናይ ምኽፋት ፖሊሲታት ዘስዓቦ ቅልውላው ኣፍልጦ ክህብ ዘይምኽኣሉ፡ ማሕበረሰብና ንምውሓስ ዘይልሙድ ስጕምቲ ክንወስድ ኣገዲዱና” ኢሉ። ሪፓብሊካን ኣመሓዳሪ ኣሪዞና ዳግ ዱሲ’ውን፡ ኣስታት 1000 ስደተኛታት ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ልኢኹ ኣሎ። እቲ ጕዕዞ ስደተኛታት ብወለንታ ከምዝካየድ ዝሓበሩ ኣመሓደርቲ እተን ግዝኣታት፡ ኣብ ኣሜሪካ ንዝርከቡ ስድራቤታት ንምጥርናፍ ዝግበር ጻዕሪ ምዃኑ ይዛረቡ። ብዓርቢ፡ ጸሓፊት ፕረስ ዋይት ሃውስ ካሪን ዣን ፒየር፡ ነቲ ብኣውቶቡስ ዝተፈጸመ ምልኣኽ ስደተኛታት \"ዘሕፍር\"ን ብኽነት ዶላር ከፈልቲ ግብሪን ክትብል ገሊጻቶ። ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ ንጕዕዞ ኣውቶቡሳት ዝወጽአ ወጻኢ ንምግላጽ ፍቓደኛታት ከምዘይኮኑ’ዩ ዘመልክት። ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ሓደ መርበብ ኣብ ቴክሳስ ዝርከብ መደበር ቴሌቪዥን፡ ንሓደ ተጓዓዛይ ዝወፅአ ገንዘብ ኣስታት 1400 ዶላር (1150 ፓውንድ) ከምዝኸውን ገሊጹ ነይሩ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4nwp92qg2xo"} {"headline":"ብሪጣንያ ንገለ ስደተኛታት ኤለክትሮኒክ መፍለዪ ክትገጥመሎም ምዃና ተገሊፁ","content":"ብኣነኣሽቱ ጀልባታት ወይ ብናይ ፅዕነት መኻይን ናብ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ገለ ሓተትቲ ዕቑባ ኤለክትሮኒክ መፍለዪ ክግጠመሎም ምዃኑ ተሓቢሩ። ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዘካይዶ ዘሎ ፈተነ ን12 ኣዋርሕ ግብራዊ ዝኸውን ኮይኑ፡ መንግስቲ 'ሓደገኛ ወይ ኣገደስቲ' ብዝብሎም መገድታት ዝኣትዉ ስደተኛታት ከምዝስጎጉ ተገሊፁ'ሎ። ቀዳማይ ሚንስትር ቦሪስ ጆንሰን \" ሓተትቲ ዕቑባ ናብ ካልእ ክፋል እታ ሃገር ክጠፍኡ ከምዘይክእሉ መረጋገፂ ክህሉ ኣገዳሲ እዩ\" ኢሉ። ተጣበቕቲ ግን እዚ ውጥን ንስደተኛታት ከም ገበነኛ ዝርእይ ከምዝኾነ ብምግላጽ ይነቕፍዎ ኣለዉ። ሓተትቲ ዕቑባ ናብ ርዋንዳ ንምምላስ ዝተሓሰበ ፈላማይ በረራ ኣብ ናይ መወዳእታ ደቓይቕ ብድሕሪ ምስራዙ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት 'ዩ እዚ ሓድሽ ውጥን [ኤለክትሮኒክ መፍለዪ] ዝዝረበሉ ዘሎ። ፈላማይ ኤለክትሮኒክ መፍለዪ ዝግጠመሎም ድማ ነቲ በረራ ብዕውት ኩነታት ከይሳኻዕ ዝሞጎቱ ሰባት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ቤት ፅሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት፡ እቲ ኣብ እንግሊዝን ዌልስን ዝጀመረ ምትእትታው ኤለክትሮኒክ መፍለዪ፡ እቶም ሓተትቲ ዕቑባ ጉዳዮም \"ክቀላጠፍ ዝሕግዝ ድዩ?\" ዝብል ከምዝፃረይ ኣፍሊጡ'ሎ። እቲ ፈተነ ከምእተጀመረ እንተተሓበረ'ኳ ሚንስትር ጉዳይ ውሽጢ ዓዲ ግን እቲ ኤለክትሮኒክ መፍለዪ ተገጢሙ ብዛዕባ ዝብል ሓበሬታ ዝሃቦ ርእይቶ የለን። መፍለዪ ዝግበረሎም ስደተኛታት ኣብ ዝንቀሳቐሱሎም ሰዓታት ገደብ ክግበረሎም ከምኡ ድማ ንዝተወሃቦም መምርሒ ዝጥሕሱ እንተኾይኖም ክእሰሩን ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡን ከምዝኽእሉ ይግለፅ። ካብ ብሪጣንያ ክወጽኡ ምዃኖም ዝተነገሮም ስደተኛታት ክሃድሙን ንመምርሕታት ኢሚግሬሽን ከየኽብሩን ይኽእሉ እዮም ይብል እቲ ሓድሽ ውጥን። እቲ ዝግጠም መሳርሒ ኣብ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕና እቲ ስደተኛ ጉድኣት ከብፅሕ ወይ ስቓይ ክፈጥር ከምኡ ድማ ግዳይ ዘመናዊ ባርነት ዝገብር ከይኸውን ክትትል ከምዝካየደሉ'ዩ ተሓቢሩ። ኤለክትሮኒካዊ መፍለዪ ከምዝግበረሎም ካብ ሞንጎ ዝግለፁ ስደተኛታት፡ ህፃናት ወይ ነብሶፆራት ከምዘይርከብዎም'ውን ተፈሊጡ።። እዚ ከምዚ ከሎ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጥራሕ ብሓሙሽተ ጀላቡ ዝተፅዓኑ 230 ሰባት ንቻነል እንግሊዝ ሰጊሮም ናብ ብሪጣንያ ከምዝኣተዉ ሚንስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ሓቢሩ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cl473yv8ek1o"} {"headline":"ኣስታት 44 ሽሕ ብሪጣንያውያን ንስደተኛታት ዩክረይን ኣብ ገዝኦም ከዕቁቡ ተመዝጊቦም","content":"ንዩክሬናውያን ከዕቁቡ ንዝደልዩ ብሪጣንያውያን መንግስቲ ኣብ ዝኸፈቶ መርበብ ሓበሬታ፡ ኣብ ውሽጢ ናይ መጀመርታ ሓሙሽተ ሰዓታት 43800 ሰባት ተመዝጊቦም፡፡ ጸሓፊ ኣባይትን ማሕበረሰብን ሚካኤል ጎቭ፡ ዩኬ ‘‘ንሓደጋ ንዝቓልዑ ሰባት ኣብ እዋን ጸገሞም ናይ ምሕጋዝ’’ ታሪኽ ከምዘለዋ ተዛሪቡ፡፡ ንሱ በቲ ናይ ቪዛ ስፖንሰርሺፕ ናብታ ሃገር ክኣትዉ ብዛዕባ ዝኽእሉ በዝሒ ስደተኛታት ዩክረይን ገደብ ከምዘየለ ተዛሪቡ፡፡ ሓድሕድ ንስተደኛታት ዩክረይን ዘዕቁብ ስድራ ታክሲ ዘይክፈሎ 350 ፓውንድ ክወሃም እዩ፡፡ እቶም ዑቕባ ዝህቡ ስድራቤታት ነቶም ስደተኛታት ምግብን ካልእ ዘድሊ ቀረብን ክህብዎም ትጽቢት ዘይግበረሎም ኮይኑ እንተደልዮም ግን ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም፡፡ ንስደተኛታት ዩክረይን ብውሑድ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ገዝኦም ከስፍሩ ድልየት ዘለዎም ሰባት ኣብቲ ዝተዳለወ መርበብ ሓበሬታ ክምዝገቡ ይኽእሉ፡፡ ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ድማ ‘ስፖንሰር’ ክኾንዎ ንዝደልዩ ዩክረይናዊ ቪዛ ክወሃቦ ክገብሩ እዮም፡፡ ኣብ ዩኬ ቤተሰብ ወይ ዝፈልጥዎ ሰብ ዘይብሎም ሰባት እውን በዚ መደብ ክመጹ ከምዝግበር ሚካኤል ጎቭ ገሊጹ ኣሎ፡፡ መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ብዛዕባ መጠንን ቅልጣፈን ናይቲ ንስደተኛታት ዩክረይን ዝሃቦ ዝሑል ምላሽ ካብ ኣባላት ባይቶ ሓዊሱ ብብዙሓት ተነቒፉ እዩ፡፡ ድሕሪ ቭላድሚር ፑቲን ንዩክረይን ምውራሩ ኣስታት 3 ሚልዮን ዩክሬናውያን ሃገሮም ገዲፎም ተሰዲዶም ኣለዉ፡፡ ዋላኳ ኣብ ፈለማ ተጠቀምቲ እቲ ምትእንጋድ ሰደተኛታት፡ ዜጋታትን ነበርትን ዩክረይን ብዝብል ተገሊጹ እንተነበረ፡ ጸኒሑ ግና ዜጋታት ዩክረይንን ቅድሚ 1 ጥሪ ጀሚሩ ኣብ ዩኬ ናይ ዝነበሩ ሰባት ኣዝማድን ከምዝኾኑ ተገሊጹ፡፡ ብመሰረት እቲ ዕድል ዝመጹ ስደተኛታት ኣገልግሎት ሽፋን ጥዕና ዝረኽቡ ኮይኖም፡ ደቆም እውን ናይ ትምህርቲ ዕድል ክረኽቡ እዮም፡፡","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60749353"} {"headline":"‘ከምዚ ዓይነት መሪር ስቕያት ኣደታት ርእየ ኣፈልጥን’","content":"እዚ ዛንታ እዚ፡ ምስ ሕርሲን ወሊድን ዝተሓሓዝ ዘሰንብድ ተጓንፎታት ዝሓዘ እዩ። \"ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ኣጸጋሚ ከባቢታት ኬድካ፡ ስራሕካ ብግቡእ ክተሳልጥ፡ ዓጊብካ ብሓጐስ ክትምለስ ይከኣል ይኸውን እዩ ዝብል ግምት እዩ ነይሩኒ፡\" ትብል ኣና ኬንት። እዚ ሓሳብ ግን ትምኒት ጥራይ እምበር ሓቅስ ኣይነበረን። ኲናት ኣብ ዝካየደሎም ከባቢታት፡ ዓበይቲ ሓደጋታት ኣብ ዝጋጥመሉ ስፍራን ኣብ መዓስከራትን ዘዋለደት ኣና ኬንት፡ ሂወታ ዝቐየረን ገለኡ’ውን ንሓያሎ ዓመታት ዘሳቐያን ተመኵሮ ኣለዋ። ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ ነርስን መሕረሲትን ዝዀነት ኣና፡ ሰራሕተኛ ሰብኣዊ ሓገዝ እያ። ጽቡቕ ስራሕን ነዊሕ ዝፀንሐ ርክብን ፍቕሪን ነይርዋ። ኣብ ቅድሚኣ ድማ ሓዳርን ቈልዑን ይጽበያ ነበረ። ኮታስ ሓንቲ ጀማሪት ሰራሕተኛ እትብህጐም ነገራት ተማሊኦምላ እያ ስራሕ ጀሚራ። ኣና ኣብ 26 ዓመታ ምስ ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ክትሰርሕ ጀሚራ። ኣብዚ እዋን ተዘክሮታታ ዘሕተመት ክትከውን እንከላ፡ ንተመክሮኣ ብዝምልከት፡ 'ኣውትሉክ' ምስ ዝተባህለ ፕሮግራም ራድዮ ቢቢሲ ጻንሒት ገይራ ነይራ። “እቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነበረኒ ስራሕ፡ ጥንሲ ኣዝዩ ሓደገኛ ከም ዝዀነን ኣደታት መዋለዲት\/መሕረሲት እንተዘይረኺበን ከኣ ንሞት ክቃልዓ ከም ዝኽእላን ክርዳእ ገይሩኒ እዩ፡\" ክትብል ተዕልል። ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ኣብ 2007 (ኣ.ኣ.) ናብ ደቡብ ሱዳን ክልእካ እንከሎ፡ ኣና ካብ ታሕጓስ ዝተላዕለ ‘ሰራሕተኛ ሰብኣዊ ሓገዝ’ ዝብል ማልያ ተኸዲና እያ ነፋሪት ዝተሰቕለት። ብዕንጸይቲ ኣብ እተሰርሐ ስትሬቸር ዝደቀሰት፡ ብጽኑዕ ዝሓመመት ኣደ ኣምጺኦም ኣብ ጥቓኣ ከቐምጥዋ እንከለዉ እቲ ዝስምዓ ዝነበረ ስምዒት ሓጐስ ብኡ ንብኡ ሃፈፈ። \"ከምቲ ናታ ዝበለ ስቓይ ፈፂመ ርእየ ኣይፈልጥን። ዝሰልጠነት መሕረሲት ስለ ዘይረኸበትን እቲ ዕሸላ ኣብ ውሽጣ ስለ ዝሞተን ኣምዑታ ተሰባቢሩ እዩ።\" ኣና ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማም ክትሕክም ዘኽእላ ስልጠና ኣይነበራን። ብዕድል ግን እታ ነፋሪት ምስ ዓለበት እታ ኣደ፡ ብኡ ንብኡ ናብ ህጹጽ ሕክምና ተወሲዳ። ኣና ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ናብ ትሰርሐሉ ቦታ በጺሓ። እቲ ክሊኒክ ኣብቲ ክንዲ ፍርቂ ትግራይ ዝኣክል ስፍሓት ዘለዎ ከባቢ፡ ዝርከብ እንኮ ትካል ጥዕና እዩ። እቲ ክሊኒክ ካብ ጭቃ፡ ዕንጸይቲን ናሕሲን ዝተሰርሐ ኰይኑ ቀትሪ ቀትሪ ክሳብ 50 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ዝበፅሕ ሙቐት ኣለዎ። \"ማይን መብራህቲን የብልናን። ሳተላይት ተሌፎናትና ቻርጅ ንገብረሉ ሶላር ጥራሕ እዩ ነይሩና።\" ኣብ ሓደ ወርሒ ዝተፈላለየ ሕማም ዘለዎም ኣስታት ሓደ ሽሕ ዝዀኑ ሕሙማት ይሕከሙ ነይሮም። ኣና ግቡእ ስልጠና እንተዘይወሰደት'ውን ኣደታት ተሕርስ ከምኡ’ውን ብሕጽረት መግቢ፡ ብዓሶን ብረኽሲ፡ ከምኡ'ውን ብቦምባ ዝቘሰሉን ብዙሓት ህጻናት ትሕክም ነይራ። ፍሉይ ዝዀነ ብርቱዕ ነጐዳ ኣብ ዝነበረሉ ሓደ መዓልቲ፡ ብርቱዕ ቃንዛ ዝነበራ ሓንቲ ኣደ ብህጹጽ ክትሓርስ ኣምጺኦምዋ። “ልክዕ ከምቲ ኣብ ገዛ ዝግበር ዓይነት፡ መጠን ሽኮር ደማ ዓቂንና፣ መጠኑ ኣዝዩ ትሑት ነይሩ። ገለ ቐመማት ኣዳሊና ድማ ብኣይቪ ክትወስድ ገይርና፡\" ትብል። እቲ ዘሐጕስ ነገር ግን ዕውት ኰይኑ። \"ሕጻን ሞሰስ ኣብ ብርቱዕ ነጐዳ ተወሊዱ። እዚ ድማ ሂወት ንምድሓን ዝተሓላለኸ መሳርሒ ሕክምና ግድን ከም ዘይኰነ ክርዳእ ገይሩኒ፡\" ክትብል ኣና ትዝክር። ኣና ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ መዓልቲ 24 ሰዓታት ትሰርሕ ነይራ፣ እዚ ክትጻወሮ ዘፀግም እዩ። \"ወርሓዊ ጽግያተይ ን18 ኣዋርሕ ኣይመፀን፡ ጸጕረይ ይረግፍ ነይሩ፡ ክብደተይ'ውን ኣንቆልቝሉ።\" ናብ ብሪጣንያ ምስ ተመልሰት ምስ መጻምዳ ክትረዳዳእ እንተፈተነት’ውን ኣይሰመረን፤ ብኡ ድማ ተፈላልዮም። ሽዑ መሕረሲት ክትከውን ስልጠና ክትወስድ ወሲና። ናብ ሀይቲ ከይዳ ካብ ምንቅጥቃጥ መሬት ዝተረፉ ሰባት ምስ ሓገዘት፡ ኣብ ባንግላድሽ ኩቱፓሎንግ ኣብ ዝተባህለ 30,000 ስደተኛታት ሮሂንግያ ዝነበርዎ መዓስከር ክትሰርሕ ተመዲባ። ኣና ኣብቲ ኣብ ባንግላድሽ ዝርከብ መዓስከር ዝተዋህባ ሓላፍነት፡ ምክትታል ጥዕና ደቀንስትዮን ወሊድን ዝምልከት ኰይኑ እዚ ድማ ጭንቀት ኣስዒቡላ እዩ። ካብ መንጐ እዚኣቶም፡ ሓንቲ ዘይዕዉት ምንጻል ጥንሲ ዘካየደት ኣደ ከተድሕን ብዙሕ እንተጸዓረት'ውን ህይወት 'ታ ኣደ ዝሓለፈሉ ኣጋጣሚ ትዝክር። ካብቶም ንሓያሎ ዓመታት ዘሳቐይዋ ተጓንፎታት እቲ ሓደ፡ ኣብ ማህፀን እንከሎ ህይወቱ ዝሓለፈ ዕሸል ምውላድ እዩ ነይሩ። ኣብ ማህፀን ሂወቱ ዝሓለፈ ዕሸል ምውላድ (destructive delivery) ማለት ዝተፈላለዩ መጥባሕቲታት ተጠቒምካ መጠን እቲ ዕሸል ክቕንስን ወሊድ ክቐልልን ምግባር እዩ። \"ማያ እትበሃል ኣደ ነይራ። ዕሸላ ኣብ ማህፀና ስለዝሞተ ከምኡ ክንገብር [destructive delivery ክነካይድ] መጠን ርእሲ ናይቲ ዕሸል ክንንኪ ነይሩና።\" \"ዝዀነት ትዅን ኣደ ከምኡ ዓይነት ነገር ንኸየጋጥማ እትስፎ፣ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እዩ። \"ብፍላይ ዝሓሸ ትካል ጥዕና ኣብ ዘይብሉ፡ እቲ ዕሸል ኣብ ማህፀን ከሎ ሂወቱ እንተሓሊፉ እዚ ምግባር ኣገዳሲ ይኸውን።\" ኣና እቲ ስራሕ ዘስዓበላ ስምዒታዊ መጕዳእቲ ስለ ዝኸበዳ፡ ናብ ብሪጣንያ ተመሊሳ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ መሕረሲት ኰይና። ጥዑይ ህጻን ክተዋልድ እንከላ ግን፡ እቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ተዘክሮ ናብ ኣእምሮኣ እናመጽአ፡ ጕድኣት ተሰሚዕዋ። ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል'ኳ እንተ ነበረት ነቲ ኣብ ኩቱፓሎንግ ትሰርሖ ዝነበረት ኣብ ማህፀን ሂወቱ ዝሓለፈ ዕሸል ምውላድ ተዘኪርዋ። \"ንዝተወሰነ እዋን እቲ ኣብቲ መዓስከር ዝነበረ ትኪ ጨንዩኒ። ኣብ ደገ እቲ ክፍሊ መወልዳን ዝነበረ በረንዳ ዝናም ክወቕዖ ከሎ ዳርጋ ሰሚዐዮ። ንሓደ ወይ ክልተ ኻልኢት ጥራይ እዩ፡ ኣነ ግና ብሓቂ ፈሪሐ ነይረ፡\" ትብል። ናብ ማእከል ቡድሂስት ከይዳ ፍወሳ ጀሚራ። \"ኣብቲ እዋን እቲ ምስ በጻሕኩ እንደገና ብኸመይ ከም ዝፍወስ ተማሂረ እየ፡\" ትብል። ምስ ሓወየት ንእሽቶ ጸባብ ጃልባ ዓዲጋ ንሓደ ወርሒ ኣብ ባንግላድሽ ዝርከባ መዋልዳን ክተሰልጠን ከይዳ። ኣና ኣብ ባንግላድሽ፡ ዓሊ ምስ ዝበሃል መምህር ተራኺባ፤ ነዊሕ ከይጸንሐት ከኣ ጠኒሳ። ብታህዋኽ መርዓ እንተገበረት'ውን ኣብ መዓልቲ መርዓኣ ግን ጥንሳ ከይዱ። ድሕር'ዚ እቶም መጻምዲ ናብ ኖቲንግሃም ተመሊሶም ክነብሩ ምስ ጀመሩ ኣና እንደገና ጠኒሳ። ንሓሙሽተ ወርሒ ኣብ ዝተገብረ ስሩዕ ስካን፡ ሓኻይም ኣብቲ ዕሸል ኣዝዩ ሳሕቲ ዘጋጥም ሕበጥ ሓንጐል ረኺቦም። ኣና እቲ ዕሸል ብህይወት ዝተርፈሉ ዕድል ከም ዘየለ ምስተነገራ፡ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ብተፈጥሮ ንምውላድ ልቢ ዝሰብር ውሳነ ወሲና። ፋጥማ ዝተባህለት ጓል ድማ ወሊዳ። \"ክሳብ ሎሚ ካብ ዝረኣኽዎም ቈልዑ እታ ኣዝያ ጽብቕቲ እያ ነይራ። ኣብ ኣፍ ልበይ ገይረ ጽቡቕ ሰዓታት ኣሕሊፈ እየ። ከም ዘይትሳቐ ስለ ዝፈለጥኩ ኵሉ ሳዕ የመስግን እየ።\" ኣና ዝተፈላለየ ዓይነት ውልደትን ዘሕዝን ፍጻመታትን ርእያ'ኳ እንተነበረት፡ ውላዳ ምስ ሞተት ግን ብሓዘን ተዋሕጠት። ኣናን ዓሊን ብሕሱም ሓዘንን ስንባደን ተዋሒጦም ናብ ባንግላድሽ ተመሊሶም። ኣብ ሓጺር እዋን ድማ ጠኒሳ። ኣብዚ እዋን ግና ጥዕይቲ ጓል ተገላጊላ ኣይሻ ክትብል ሰይማታ። ኣይሻ ሓሙሽተ ዓመት መሊኣ። ኣና ምስ ዓሊ ስለዝተፈላለየት ኣብ ብሪጣንያ ጓላ ንበይና እናዕበየት ትርከብ። \"ኣብ ህይወታ እትገብሮ ምርጫ ብዘየገድስ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ውጥረት ከዕቍባ ኣይክእልን እየ። እንተዀነ ብኸመይ ክትዋጽኦም ከም እትኽእል ከም እንዘራረበሉ ተስፋ እገብር።\" ኣና ዘጋጠማ ብድሆ ሕጂ’ውን ከምዘለዎ እዩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝገልጾ ኣብ ሓደ መዓልቲ 800 ኣደታት ብሰንኪ ምስ ወሊድ ዝተተሓሓዘ ሕማማት ንሞት ይቃልዓ እየን። ብኸቢድ ኲናትን ብ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ኣብ ዝተጸልዋ ሃገራት፡ ቈልዓ ምውላድ ሓደገኛ እዩ። ኣብ ሃብታም ሃገራት ካብ 5,400 ኣደታት፡ ሞት ሓንቲ ኣደ ከም ዘጋጥም፣ ኣብ ድኻታት ሃገራት ግን እዚ ቝጽሪ 120 ዕጽፊ እዩ፤ ማለት ካብ 45 ኣደታት ሞት ሓንቲ ኣደ ከም ዘጋጥም መጽናዕቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyj7n1y01r7o"} {"headline":"ኣብ ካናዳ፡ 'ካብ ሰብ ጸጋ እንተዘይተወሊድካ ቤት ክትዕድግ ዘይሕሰብ እዩ'","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጃስቲን ትሩዶ፡ ካናዳ ከቢድ ናይ ኣባይቲ ጸገም ስለዘለዋ፡ ገዛውቲ ኣብ ዝዕድጉ ገለ ወጻእተኛታት ናይ ክልተ ዓመት እገዳ ክግበር ሓሳብ ኣቕሪቡ ኣሎ ። ኣብታ ሃገር ዋጋ ኣባይቲ ብልዕሊ 20% ማለት ብትሽዓተ ዕጽፊ ብምውሳኹ፡ መንበሪ ገዛ ናብ ኣስታት $817,000 ዓሪጉ። ይኹን እምበር፡ ተንተንቲ ኢንዱስትሪ ዋላካ ንዕዳጋ ዝምልከት እኹል ሓበሬታ እንተዘይሎ እቲ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ክግበር ተኣሚሙ ዘሎ እገዳ ምንም ለውጢ ከምዘየምጽእ እዮም ዝገልጹ። ኣብ ቶሮንቶ፡ ኣማኻሪ ትካል ምርምር ቡልፐን ምክትል ፕረዚደንት በን ሚርስ፡ ኣብ 2015-2016 ወጻእተኛታት ካብ ዝገዝኡዎ ዝነበሩ 9% ናብ ኣብ 2020 ናብ ሓደ ሚእታዊት ከምዝወረደ ብምጥቃስ እቲ ውሳነ \"ዓቢ ጽልዋ ክህልዎ ዝኽእል ኣይመስለንን። እዚ ዝተጠቕሰ ቝጽሪ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። እቶም ብሓቂ ክዕድጉ ዝደልዩ ሰባት ከኣ ካልእ ኣማራጺ መገዲ እውን ክደልዩ እዮም \" ኢሉ። ሚስተር ሚረስ፡ እዚ ናህሪ ዋጋ ኣባይቲ ብሰንኪ ብዝሒ ህዝብን ኣብ ገለ ክፋል እታ ሃገር ንዕብየት ዝቕይድ ሕግታት ምትእትታው ምዃኑን ሓበሩ። ኣብ 2020፡ ኣብ ካናዳን ካልእ ቦታታትን ዝነበሩ ሓንጸጽቲ ፖሊሲ፡ ቁጠባ ሃገር ንምዕቃብን ጠለባት ህዝቢ ንምምላእን ክፍሊት ልቓሕ ናብ ዝተሓተ ደረጃኡ ስለዘውረዱዎ እቲ ጉዳያት እናኸፍአ ይኸይድ ምህላዉ ይንገር። ናህሪ ዕዳጋታት ኣባይቲ ዓለም ኣብ ኩሉ ይረአ እኳ እንተሎ ኣብ ካናዳ ግን ዋጋ ገዛን ኣታዊታት ሰራሕተኛታትን ኣዝዩ ኣሰካፊ ምዃኑ ኮሚተ ሃገራዊ መጽናዕቲ ኢኮኖሚያዊ ኮሚቴን ልምዓትን ካናዳን የረድእ። መብጽዓ ሚስተር ትሩዶ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ እዋን ጎስጓስ ምርጫ ኣብ ዝገበሮ መብጽዓ፡ ጉዳይ መንበሪ ኣባይቲ ንኪፈትሕ ቃል ኣትዩ ነይሩ። እቲ ብሓሙስ እተዘርገሐ ናይ ባጀት እማመ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ዓደግቲ ዝጸንዐ ግዜያዊ እገዳ፡ ንሓድሽ ህንጻታት ዝውዕል ቢልዮናት ገንዘብ ንሓደስቲ ገዛእቲ ኣባይቲ ግብሪ ዘይክፈሎ መደብ ውህለላ ሓቚፉ'ሎ። ሚስተር ትሩዶ፡ ንገለ ካብቲ ንኢንቨስተራት ዝድግፍ ዓይነት መስርሕ ጨረታ እውን ክእግዶ እዩ። ካብ 2014 ጀሚሩ ኣብ ካናዳ ካብ ዝተዓደጉ ሓሙሽተ ኣባይቲ፡ እቲ ሓደ ብመስርሕ ጨረታ እዩ ክዕደግ ጸኒሑ። እቲ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ዓደግቲ እተገብረ እገዳ፡ ንነባራት ተቐማጦ፡ ንወጻእተኛታት ተመሃሮን ሰራሕተኛታትን፡ ከምኡ እውን እቶም ንፈለማን ንመንበሪኦምን ዝኸውን ቤት ዝዕድጉን ነጻ እዩ። እዚ እማመ እዚ፡ ነቲ ገሊኡ ክፋላት ካናዳ ድሮ ካብ ከተማ ወጻኢ ንዝመጽኡ ዓደግትን ወጻእተኛታትን ዝኸፍልዎ ፍሉይ ግብሪ ዘጠቓልል እዩ ። ንኣብነት ፡ ኣብ ኦንታርዮ ፡ ናይ ኣውራጃ ዱግ ፎርድ ኣብ ቀረባ እዋን ፡ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ዓደግቲ ዝጸንሐ ግብሪ ካብ 15% ናብ 20% ክብ ኢሉ። ካብ ቶሮንቶ ሓሊፉ እውን ናብ ምሉእ ኣውራጃ ከስፋሕፍሕ መደብ ከም ዘሎ ምልክታ ወጺኡ ነይሩ ። እቶም ብወጻእተኛታት ዝዕደጉ ኣባይቲ ጠንቂ ክብሪ እዮም እኳ ዘይተባህለ፡ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ንምፍታሕ ተወሳኺ ግብሪ ምኽፋል ከም ዘድሊ ሓላፊ ፖሊሲ ኣባይቲ ፎካስ ስቲቭ ፖሜሮይ ሓቢሩ ። \" ዋላ እውን ንዕድጊ ወጻኢ እንተ ኣጊድካዮ ኣብቲ ዝውስኽ ዘሎ ዋጋታት ኣባይቲ ብዙሕ ጽልዋ ኣይህልዎን እዩ\" ኢሉ ኒው ዚላንድ ፡ ኣብ 2018 እውን ንወጻእተኛታት ዓደግቲ ዝእግድ ተመሳሳሊ መለክዒ ኣተኣታትያ ነይራ ። ፖሜሮይ ወሲኹ፡ \"ንዋላ ሓደ ሰብ ዘየጨንቕ ግዳይ ተሓታቲ ምግባር ጽቡቕ ፖለቲካ እዩ\" ብማለት ብዙሕ ጽልዋ ክህልዎ ከምዘይክእል ይዛረብ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብሪቲሽ ኮሎምብያ ዝዓዪ፡ መስራቲ ጄነሬሺን ፕሮፌሰር ስኵዝ ፖል ከርሻው እውን፡ ሚስተር ትሩዶ ዘቕረቦ ሓሳብ፡ ዓቕሚ ገዛእቲ ኣብ ምውሳኽ ኮነ ምሕሳር ዋጋ ብዙሕ ትርጉም ከምዘይህልዎ ብምግላጽ፡ \"ነቲ ኣብ ካናዳ ዘሎ ናህሪ ዋጋ ኣባይቲ ንምህዳእ ኮነ ዋጋ ኣባይቲ ንምጉዳል ዝሕግዝ ስጕምትታት ኣይኰነን\" ኢሉ። ሚስተር ፖሜርዮ፡ ማእከላይ ባንክ መጠን ወለድ ክብ ስለዘብል፡ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ዋጋ ኣባይቲ ምስኡ ኺጐድል ትጽቢት ከም ዝገብር ገሊጹ። ዕዳጋ ኣባይቲ ካናዳ፡ ዘይከም ናይ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ብነዊሕ ዓመታት ሞርጌጅ ዝኽፈል ዘይኮነስ እቲ ናይ ካናዳ ናይ ገዛ ሞርጌጅ ኣብ ሓሙሽተ ዓመት እዩ ዝውዳእ። ይኹን እምበር፡ እቲ ዝለዓለ መጠን ወለድ፡ ነቶም ናብ ዕዳጋ ኣባይቲ ክኣትው ዝደልዩ ዓደግቲ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘይረኽቡ እዩ ዝገብሮም ። ሚስተር ማየርስ ከምዝበሎ፡ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ፖለቲከኛታት ቀረብ ኣባይቲ እንተዘይገይሮም እቶም ስሩዓት ዓደግቲ ኣባይቲ ካብ ዕዳጋ ስለ ዝእለዩ ከም ቶሮንቶን ቫንኮቨር ዝኣመሰሉ ውዑያት ዕዳጋታት ኣብ ነዊሕ እዋን ብተኻረይቲ ክዕብለሉ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ። ይኹን እምበር፡ ሚስተር ፖሜሮይ፡ ወጋታት መሳርሒታት ህንጻ እንተዘይጎዲሉ ናህሪ ዋጋታት ኣባይቲ ከምዘይንኪ ይገልጽ ። \" ካብ ሰብ ጸጋ ስድራ ቤት እንተዘይተወሊድካ እትነብረሉ ቤት ክትዕድግ ዘይሕሰብ እዩ\" ብምባል መጻኢ መንእሰያት ወለዶ ከቢድን በዳህን ምዃኑ ኣረዲኡ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61049388"} {"headline":"ካብ ሃገሮም ስደተኛታት ዘባርሩ ዘለው ደቡብ ኣፍሪቃውያን","content":"ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎሳ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ወጻእተኛታት ዝበጽሕ ዘሎ ግህሰት “ኣዐርዩ ተረቢሹ” ምህላው ይገልጽ። እዚ ጸገም ብቐንዱ፡ ኣብታ ካብ 2008 (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ጀሚሩ ማእከል ናዕቢ ጽልኢ ወጻእተኛታት ዝዀነት ከተማ ኣሌክሳንድራ ዝርአ ዘሎ’ዩ። “ፈላማ፡ ሸውዓተ ኰይኖም’ዮም ናብዚ መጺኦም። ነተን ዝነበራ ማሽናት፣ መድረቒ ጸጉርን ቅብኣታትን ክኣ ወሲዶምዎ። ሽጉጥ ሒዞም ስለ ዝነበሩ እንትርፎ እናርኣናዮም ክወስዱዎ ምፍቃድ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረናን”። ዴቪድ - ትኽክለኛ ሽሙ ኣይኰነን - ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ኣብ ጆሃንስበርግ ከተማ ኣሌክሳንድራ ዝርከብ እንዳ ቐምቃሚ ጸጉሪ፡ ብሕርቃን ኩርምይ ኢሉ ኰፍ ኢሉ ኣሎ። እዚ ሞዛምቢካዊ፡ ናብ ኣእዳው እናጠመተ ወጻእተኛ ብምዃኑ ጥራይ ብርክት ዝበሉ መጥቃዕታት ክበጽሖ ከም ዝጸንሐ የብርህ። እቶም መጥቃዕቲ ዘብጽሑሉ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ምዃኖም’ውን ይዛረብ፤ ወትሩ ሓደ ዓይነት ጠለብ’ዩ ዘለዎም - ካብታ ሃገር ክወጽእ። “ኪዱ፣ ድኳንኩም ዕጸው’ዮም ዝብሉና፤ ግን ኣነ ናበይ ከም ዝኸይድ ኣይፈልጥን” ይብል። እታ ዴቪድ ዝውንና እንዳ ቐምቃሚ ድኳን፡ ካብ ክልተ ሜትር ዘይትሰፍሕ ጸባብ’ያ፤ ግን ንሱ ዝሕበነላን ዝሕጎሰላን ቦታኡ እያ። ኣብታ ድኳኑ፡ ዝተፈላለየ ቅዲ ጸጉሪ ርእሲ ዘርእዩ ኣሳእልን ብኣግባቡ ዝተሰርሑ ናውታት መቐምቐሚ ጸጉርን ይርኣዩ። ካብቲ ስራሕ ዝረኽቦ ገንዘብ፡ ኣብ ሞዛምቢክ ንዘለው ስድራቤቱ ይሕግዘሉ። “ስድራይ ዝበልዑዎ ክሳብ ዝረኸቡ፡ ንዓይ ንሱ’ዩ ዘገድሰኒ። ኣብ ዝዀነ እዋን ክቐትሉኒ ይኽእሉ’ዮም፤ እንታይ ከም ዝፍጠር ኣይፈልጥን” ይብል። ኣብ ቀረባ ኣብ ሞንጎ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ነበርቲ ኣሌክሳንድራን ወጻእተኛታት ሰብ ንግድን ዝተላዕለ ግጭት፡ ኣብታ ሃገር ካልእ ጎነጽ ኣንጻር ስደተኛታት ከይለዓል ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ። ኣብዛ ከተማ ኣብ 2008 ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ዘነጻጸረ ናይ ጽልኢ ዓመጽ ካብ ዝልዓል ንድሓር እናሰፍሐ መጺኡ እዩ። ኣብታ ሃገር፡ ኣብ 2021 ብዝተልዓለ ዓመጽ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብሰለስተ ዕጽፊ ዝበዝሑ ወጻእተኛታት ከም ዝተቐትሉ ማእከል ስደትን ሕብረተሰብን ኣፍሪቃ ይሕብር። ድኽነት፡ ሓደ ምንጪ እዞም ጎንጺታት ኮይኑ፡ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ክረኽቡዎ ዝግባእ ስራሕ ብስደተኛታት ይውሰድ ኣሎ ዝብል ተቓውሞ ኣለዎም። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሓደ ካብ ሰለስተ ክሰርሕ ዝኽእል ሓይሊ ሰብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሽቕሊ ኣልቦ’ዩ፤ እዚ ኣብቶም ትሕቲ 24 ዓመት ዝዀኑ መናእሰይ ካብቶም ሰለስተ እቶም ክልተ ስራሕ ዝሰኣኑ እዮም። እዚ ዛዕባ ስራሕን ዕድላት ንግድን፡ ምንቅስቓስ ኣሌክሳንድራ፡ ዱዱላ ዝተባህለ ጉጅለ ዝመርሖ ኰይኑ፡ ዱዱላ “ምድፋእ” ወይ ብቋንቋ ዙሉ ድማ “ምስጓግ” ዝብል ትርጉም ኣለዎ። እዚ ጉጅለ፡ ብዘይሕጋዊ ስደተኛታት ዝመሓደሩ’ዮም ዝበሎም ድኳናት ክዕጸው ገይሩ’ዩ። ከም ዴቪድ ዝበሉ ወጻእተኛታት ድማ እቶም ጎነጻዊ መጥቃዕቲ ዘብጽሑ ዘለው ሰባት ኣባላት እዚ ጉጅለ ምዃኖም ይዛረቡ። ኣባላት ቢቢሲ፡ ናብታ ከተማ ኣብ ዝተንቀሳቐሱሉ፡ ኣባላት ዱዱላ ‘ሓለዋ’ ዝብሉዎ ምንቅስቓስ ክገብሩ ተዓዚቡ’ዩ። ናይቶም ስደተኛታት ወረቐት ይሓቱ። ወሃቢት ቃል ኣግነስ ማላትጂ “እቶም ‘ወዲኒ ወይ ቀፊር’ እናበልኩም እትህቡና ኣሽማት፡ መንፈስ ኣባላትና ክሰብሩዎ ኣይነፍቅድን፤ መሰልና ኢና ንሓትት ዘለና” ትብል። ሰብ መዚ፡ ሕጊ ስደተኛታት ዘይምትእትታዎም ወይ’ውን ደቡብ ኣፍሪቃውያን ክጥቅዑ እንከለው ምላሽ ዘይምሃቦም ትነቅፍ። “መንግስቲ ስርሑ ብኣግባቡ እንተዝሰርሕ ነይሩ ናይ ዓርሰ ምክልኻል ኮሚቴ ኣየምድለየን ነይሩ። ንሕና’ውን መጥቃዕቲ ይበጽሓና’ዩ፤ ብ7 መጋቢት ወጻእተኛታት ብበትርን ኣጽዋርን ኣጥቂዖምና እዮም። ስለዚ ብዙሓት ነገራት ትኹረት የድልዮም’ዩ” ኢላ። ኣሌክሳንድራ፡ ሓንቲ ካብተን ድኻ ከተማታት ደቡብ ኣፍሪቃ’ያ። ግን ድማ ኣብ ጥቓ እታ ኣብ ኣፍሪቃ ልዑል ሃፍቲ ዘለዋ ሳንድቶን እትርከብ ከተማ ብምዃና፡ ብዙሓት ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገርን ሃገራት ኣፍሪቃን ዝመጹ ኣጋይሽ እትስሕብ ኰይና እያ። እንተዀነ፡ ብዝሒ ህዝቢ እቲ ከባቢ እናዓበየ ምስ መጽአ፡ ኣብ ሞንጎ ሓደሽቲ ዝመጽኡን ነበርቲ እታ ከተማን ብቐጻሊ ጎነጻትን ዓመጻትን ክልዓል ጀሚሩ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፕሪቶሪያ ክኢላ ስነ ገበን ዶክተር ሉፉኖ ሳዲቕ “ኩላትና ጽቡቕ ህይወት ክህልወና ኢና ንደሊ፤ ግን ክኣ ኩላትና ጽቡቕ ህይወት ኣይንረክብን። ኣብ ሳንድቶን ዝተጠቐምካሉ ሽቓቕ ክተጽሪ ኣንጊህኻ ኣይትልዓልን። ብቐሊሉ ማይ ስለ ዘለካ፡ ቡምባ ጥራይ ኢኻ ትኸፍት። ኩሉ ኣብ ኢድካ’ዩ። “ኣብ ስግር ጽርግያ ክኣ ኣሌክሳንድራ ኣላ፤ መዓልታዊ ነዚ ህይወት ትርእዮ። ስግኣታትኻ ዘንጸባርቕ መስትያት’ዩ። እቲ ዘይመዓርነት ኣብ ቅድሜኻ ተዀሊዑ ትርእዮ። ሓሓሊፉ ነዚ መልሲ ክትስእነሉ እንከለኻ፡ እቲ ዝቐለለ ነገር ካልእ ሰብ ምጥቃዕ መሲሉ ይርኣየካ” ብምባል ነቲ ኩነታት ተረድእ። ወዲ 19 ዓመት ጆን - ትኽክለኛ ሽሙ ኣይኮነን- ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ሞዛምቢክ ናብ ጆሃንስበርግ ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ ናይ ሞት ምፍርራሕ ይበጽሖ ከም ዝነበረ ይዛረብ። ንሱን መሓዙቱን፡ ኣብ ጽርግያ ስጋ ጠቢሶም ገዓት ኣብሲሎም’ዮም ዝሸጡ። “ዱዱላ በትሪ ሒዞም ስለ ዝመጽኡ ይሃርሙና። ክመጽኡ እንተርኢናዮም ንብረትና ገዲፍና ንሃድም”። ጆን’ውን ልክዕ ከም ዴቪድ ንቤተሰቡ ክሕግዝ እዩ ዝደሊ። ዝረኽቦ ገንዘብ ዓቚሩ ክኣ መኪና ክገዝእ ይሓልም። ግን ክኣ፡ “ናብ ካልእ ሃገር ክኸይድ'የ ዝሓስብ፤ ኣብ ሞዛምቢክ ዘለው ስድራቤትና እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘሎ ኩነታት ስለ ዝፈልጡዎ ይጽልዩልና’ዮም” ይብል።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cxw8zyjw3gro"} {"headline":"ስደት፡ \"ብሪጣንያ ንመላኺ ኣሕሊፋ'ዶ ትህበኒ ትኸውን?\" ኤርትራዊ ስደተኛ","content":"ብስራሕ [ቢቢሲ፡ ፎካስ ኦን ኣፍሪካ] ካለይ ፈረንሳ ኣብ ዝኣተኹሉ፡ ካዚኖ (መጻወቲ ቁማር) ክጸንሓኒ ፈጺመ ኣይተጸበኹን። እዛ ወደባዊት ከተማ ፈረንሳ፡ ብቝማር ብዙሕ ፍልጥቲ ኣይኰነትን። እንተዀነ፡ እቲ ኣብ ጥቓ'ቲ ኣዕሪፈሉ ዝነበርኩ ሆቴል ዝነበረ ካዚኖ፡ ነቶም ህይወቶም ንሓደጋ ቀሪቦም፡ ርብሕ ዝበለ ገንዘብ ክረኽቡ፣ እሞ ንብሪጣንያ ክሰግሩ ተስፋ ዘንበሩ፣ ከነዘራርቦም ዝነቐልና ሰባት ዘዘኻኽር ነበረ። ምስቶም ነቲ ግዝያዊ መዕቈቢታት ከም ገዛኦም ዝሓስብዎ ስደተኛታት ተዘራሪብና። ንሳቶም፡ ኣብ 2016 ብወግዒ ብሰበስልጣን ፈረንሳ ስሩዛት ወይ ኣፍልጦ ዘይተወሃቦም እዮም። እንተዀነ ማሕበራት ተራድኦ ኣብቲ ዝበጻሕናዮ ከባቢ ጥራይ፡ ኣስታት 1,500 ሰባት ዝዀኑ ስደተኛታት ከም ዘለው ይገልጻ። ዳርጋ ኵሉ ኣብቲ ቦታ ዝነብር ስደተኛ፡ ናብ ብሪጣንያ ክሰግር ጥራይ እዩ ዝሓስብ። ሓደ 'ኢርፋን' ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝመረጸ ኣብኡ ዝረኸብናዮ መንእሰይ'ውን፡ ሕልሙ ከምኡ እዩ፣ ግን ገና ኣብኡ ተዓኒዱ እዩ ዘሎ። እቲ ኣዝዩ ንእሽቶ መንእሰይ፡ ብኣስተርጓሚ ክሳብ ነዘራርቦ፡ ዘይከም ካልኦት ስደተኛታት ብሕቱው እዩ ዝመስል ነይሩ። ካብ ኤርትራ ቅድሚ 18 ኣዋርሕ ኣቢሉ እዩ ወጺኡ፣ ናብ ሊብያ፡ ኢጣልያ፡ በልጂየም ዝወስድ ሓደጋታት ዝበዝሖ ጕዕዞ ሰጊሩ እዩ ድማ ፈረንሳ በጺሑ። እቲ ወዲ 16 ዓመት ኮተቴ፡ ካብታ ሃገር ዝወጽኣሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ዝሓሸ መጻኢ ከናዲ ኢሉ እዩ። \"ኣብ ኤርትራ ናጽነት የለን፣ ወዲ 18 ዓመት ምስ ኣኸልካ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክትፍጽም ትግደድ፡\" ይብል። እቲ ኣብ መንጐ ብሪጣንያን ርዋንዳን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምምላስ ስደተኛታት፡ ኣብ ባህጊ 'ዚ መንእሰይ ዘለዎ ጽልዋ ክንፈልጥ ደለና። እቶም ካብ ፈረንሳ ብጀላቡ ንብሪጣንያ ዝኣተው ሓደስቲ ስደተኛታት፡ እቲ ናብ ርዋንዳ ንምግዓዝ ዝሕሰብ ዘሎ መስርሕ ከረኻኽበሎም እዩ ዝመስል። ብሪጣንያ፡ እዚ ሓድሽ ፖሊሲኣ ነቶም ነዚ ሓደገኛ ጕዕዞ ዝውስኑ ሰባት ክገትኦም ከም ዝኽእል እያ ትገልጽ። እንተዀነ፡ ከም ኢርፋን ዝኣመሰሉ ሰባት፡ ኣብ መሬት ብሪጣንያ ክሳብ ዘይበጽሑ፡ ሓተትቲ ዑቕባ ስለዘይርኣዩ፡ ብጃላቡ ይዅን ብዓበይቲ መካይን ናብ ብሪጣንያ ግድን ክበጽሑ ኣለዎም፤ ነዚ ኸኣ ወሲኖም እዮም፡ ብምባል ትካላት ተሓለቕቲ መሰላት ይማጐታ። ኢርፋን፡ ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ደሃይ ስድራኡ ከምዘይብሉ ይዛረብ። \"ስድራይ ኣበይ ከም ዘለኹ ኣይፈልጡን እዮም፣ መራኸቢ የለን።\" እቲ፡ ኣብ ካለይ ንስደተኛታት ምስ ዝሕግዛ ዝተፈላለያ ትካላት ረዲኤት ብኣስተርጓምነት ዝሰርሐ ሰብ፡ ንዘረባ ኢርፋን ሰሚዑ ይትንትኖ ነይሩ። ርእሱ ሒዙ ብምድናን ከኣ ክነብዕ ጀመረ። ደሓን ምዃኑ ምስ ሓተትናዮ፡ ርእሱ ነቕነቐ። እቲ ኣስተርጓሚ ተረጋጊኡ፡ ሓሳቡ ምስ ጠርነፈ ዘረባና ቀጸልና። \"ኣሕዋተይን ኣሓተይን ናፊቐ፣ ንዓመታት ኣብ ጕዕዞ እየ ጸኒሐ፣ ሕጂ ድማ ኣብ ገና ፍርቂ መገዲ እየ ዘለኹ፣ ኵነታቶም ክፈልጥ ኣይክእልን እየ፡\" ብምባል፡ እቲ ኣስተርጓሚ ነቲ ኣቐዲሙ ብኢርፋን ዝተዘርበ ነገረና። \"ናብ ርዋንዳ እንተገዓዝካ እንታይ ኣለዎ?\" ሓተትኩ። \"ብሪጣንያ ዓዲ ሕጊ እያ፡\" መለሰ፡ ኢርፋን \"መንግስቲ ብሪጣንያ ናብ ርዋንዳ ዶ ይሰደኒ ይኸውን? ኣብኡ ኸኣ ሓደ ምልካዊ ስርዓት እዩ ዘሎ።\" \"ግድን እንተኢሎም ግን ኣብ ርዋንዳ ዝጸንሕ ኣይመስለንን።\" ርዋንዳ፡ ብሓያለ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ከም ሓንቲ ጨቛኒት ሃገር እያ ትቝጸር። ፕረዚደንት ፖል ካጋመ፡ ካብ 1994 ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ኣሎ። ድሕር'ቲ ኣስካሕካሒ ዓሌታዊ ጐንጽን ጃምላዊ ቕዝፈትን፡ ነታ ሃገር ብምርግጋእ ዝምጐስ'ኳ እንተዀነ፡ ማዕረኡ ድማ ስልጣን ብምብሓት ይውቀስ። ኢርፋን ኣብ ብሪጣንያ ዑቕባ ክሓትት ጥራይ እዩ ዝድሊ። ካብ ኣብ ፈረንሳ ድማ ኣብ ብሪጣንያ ኣጸቢቝ ዝሓሸ ነገራት ክገጥሞ ከም ዝኽእል እዩ ዝኣምን። ካለይ፡ ትእምርቲ ቅልውላው ስደተኛታት ኤውሮጳ ኰይና'ላ። ስደተኛታት ካብዛ ወደብ፡ ውሑሳት ብዘይኰና ጀላቡ ወይ ዓበይቲ መካይን ጽዕነት ወይ ባቡራት ተሓቢኦም ንብሪጣንያ ክሰግሩ የቋምቱ። ኣብ ሓምለ 2016፡ ሰለስተ ኣዋርሕ ቅድሚ'ቲ ሰበስልጣን ፈረንሳ ነቲ መዓስከራት ዘፍረሱሉ ግዜ፡ ዝተፈላለያ ዘይመንግስታውያን ትካላት ስደተኛታት ከም ዝገልጻኦ፡ ኣብኡ 7 ሽሕ ዝዀኑ ስደተኛታት ነይሮም። ኣብዚ እዋናት፡ እቶም ኣብ ካለይ ዝነብሩ በዓል ኢርፋንን ካልኦት ስደተኛታትን፡ ኣብ ግዝያዊ ቴንዳታትን ሰብ ዘይነብሮ ኣባይትን ድንድላትን እዮም ዝነብሩ። ኵነታት ኣሰቃቒ እዩ፣ ብውሑዱ 'ቲ መሰረታዊ ዝበሃል ነገራት'ውን ኣዝዩ ውሱን እዩ። ኣብዚ ክቕመጥ ዝደሊ ሰብ የለን። ኵሉ ተስፋታት ሓድሽ ሂወት ኣብ ብሪጣንያ ስለዝረኣዮ፡ ኣብኡ ክቕመጥ ዝደሊ የለን። \"ኣብ ብሪጣንያ ብጽቡቕ ይተሓዙን፡ ዕድላት ትምህርቲ'ውን ይረኽቡ እዮም፡\" ይብል። ብሳላ ሓገዝ ትካላት ሰብኣዊ ረዲኤትን ዘመናዊ ቴክኖሎጂን፡ እቶም ስደተኛታት ካለይ፡ ካብቲ ቴንዳታት ውጺእ ኢልካ ሂወት እንታይ ከም እትመስልን እንታይ ይግበር ከም ዘሎን እኹል ግንዛበ ኣለዎም። እቲ ብሰበስልጣን ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬናውያን ስደተኛታት ዝግበር ክንክን ድማ ሕቶታት የልዕል ኣሎ። \"ምስ ዩክሬናውያን ክንወዳደር ኣይንኽእል ኢና፣ ንሳቶም ኣብ ሆቴል እዮም ዝቕመጡ፡\" ይብል ሓደ መንእሰይ። \"ንሳቶም [ኤውሮጳውያን ሰበስልጣን] ብዛዕባና ደንታ የብሎምን፣ ከምቲ ነቶም ዩክሬናውያን ዝግደሱሎም ኣይግደሱልናን እዮም።\" \"ናብ ርዋንዳ ዝሰዱና እንተዀይኖም፣ ዋላ ሓደ ካባን'ኳ ዝቕበሎ የለን፡\" ይውስኽ። እቶም ኣብኡ ዘለው መንእሰያት፡ ናይቲ ዅሉ ዝወሰድዎ ሓደገኛ ውሳነታት፡ ዝከሓሱላ ብርህቲ ዕለት ኣብ ቅድሚኦም ከም ዘላ እዮም ዝኣምኑ። \"ህይወት ከባድ እያ፣ ግን ከመይ ከም ትጾራ ተማሂርና ለና፣ ነገራት ሓደ መዓልቲ ክዕረዩ እዮም፡\" ይብል ኢርፋን። ንሱ ይዅን ካልኦት ግን፡ ብኸመይን መዓስን ንዝብል ሕቶ ዝኸውን ምላሽ የብሎምን።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61345150"} {"headline":"ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ተወሳኺ ስግኣት ዝኾንዎም ዘለዉ ዝተወደቡ ጉጅለታት","content":"ቅድሚ መዓልቲታት ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኸደ ሰብ በቢከባቢኡ ፖሊስ እንትንቀሳቐሱ ይርእይ፡፡ ናይ ኣሌክሳንድራ ድማ ፍልይ ዝበለ እዩ፡፡ ንምንታይ ንዝብል ፡ ኣብ መንጎ ነበርቲ እቲ ከባብን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ንግዲ ዝተዋፈሩ ወጻእተኛታትን ጎንጺ ክፍጠር ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ዘበገሶ እዩ፡፡ እቲ ስግኣት ሕዚ እውን ኣሎ፡፡ ካብቶም ኣብ ስግኣት ዝርከቡ ድማ ኢትዮጵያውያን ይርከቡዎም፡፡ ስለዚ ካብቲ ከም ምኽንያት ዝውሰድ ቀንዲ ጉዳይ ንጀምር፡፡ ከም ኣሌክሳንድራ ኣይኹን እምበር ኣብ መላእ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ መነባብሮ ፍልልይ ብሰፊሑ ይረኣይ እዩ፡፡ ነዚ፡ ኩሉ ሰብ ነናይ ባዕሉ ምኽንያት እዩ ዘቐምጥ፡፡ ገሊኦም እቲ ስርዓት እዩ ይብሉ፤ ገሊኦም ድማ ‘‘ስደተኛታት እዮም ኣብዚ ኣብጺሖምና’’ ይብሉ፡፡ ኣብታ ድኽነት ሰንሰን ኣቢሉና ዝብሉ ዜጋታት ዘለዉዋ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብሰማይ ብመሬት ኢሎም ዝኣተዉ ስደተኛታት ብናብራ ይህብትሙ ኣለዉ፡፡ ነዚ ኣካታዒ ጉዳይ ዝሓዙ ክልተ ጉጅለታት ተቐልቂሎም፡፡ 'ዘ ኣሌክሳንድራ ዱዱላ ሙቭመንት' ን 'ኦፕሬሽን ዱዱላ'ን ይበሃሉ፡፡ ክልቲኦም ሰነድ ዘይብሎም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ካብታ ሃገር ክወጽኡ ዝጉስጉሱ እዮም፡፡ እዚ ሓሳቦም ድማ በቲ ተገፊዕና፣ ኣብ ዓድና ዝግብኣና ኣይረኸብናን ዝብል ህዝቢ ተቐባልነት ረኺቡ፡፡ እቶም ጉጅለታት እንታይ እዮም ዝደልዩ? ቀንዲ ምኽንያት እቲ ኣብ መንጎ ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃን ሰነድ ዘይብሎም ስደተኛታትን ዝተፈጠረ ቅርሕንቲ ድኽነት እዩ፡፡ ልክዕ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፡ ነቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ዘልዕልዎ መረረት ምኽንያት እዞም ሰነድ ዘይብሎም ስደተኛታት እዮም፡፡ ብቋንቋ ዙሉ፡ ‘ዱዱላ’ ማለት ‘‘ኣባርርዎም’’ ወይ ‘‘ይኺዱልና’’ ማለት እዩ፡፡ እዚ ድማ እቶም ጉጅለታት እንታይ ከምዝደልዩ ብግልጺ ዘርእይ እዩ፡፡ ዋላኳ እዞም ክልተ ጉጅለታት ዝፈላለዩ እንተኾኑ፡ ዝተጣየሽሉ ዕላማ ግን ሓደ እዩ፤ ሕጋዊ ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ካብታ ሃገር እናኣረኻ ምብራር፡፡ ከምዚ ምግባር ድማ ንደቡብ ኣፍሪቃውያን ናይ ስራሕን ንግድን በርታት ክኽፈት ከምዝገብር ይኣምኑ፡፡ እዚ እዩ ድማ ንኢትዮጵያውያን ስግኣት ኮይኑ ዘሎ፡፡ እዚ እዩ ድቃስ ዝኸልኦም፡፡ ‘‘ሕቶኦም ዜጋታት ወጻኢ ይውጽኡ እሞ እቲ ንግዲ ንሕና ክንቆጻጸሮ ዝብል እዩ’’ ይብል፡ ተቐማጢ ጆሃንበርግ ገዛሀኝ ሹማሞ፡፡ ንኢትዮጵያውያን ብፍላይ ‘‘እንታይ ዘይሰርሕዎ ነገር ኣሎ?’’ ብምባል ከምዝገልጹዎም ይዛረብ፡፡ ‘‘ናይ ገዛ ሰራሕተኛ፣ ኣሳሰይቲ ዘወርቲ ታክስን ንሳቶም እዮም’’ ብዝብል እዩ ‘‘እንታይ ዘይሰርሕዎ ነገር ኣሎ’’ ዝብልዎም፡፡ ነዚ ኩሉ ዝሰርሑ ኢትዮጵያውያን እዮም እምበኣር ስግኣት ሓዲርዎም ዘሎ፡፡ ዱኳነይ ይስርቕዶ ይኸውን? ክሱጎግዶ ይኾን፣ ክሳብ ህይወቶም ምስኣን ዝበጽሕ ስግኣት፡፡ ቅድሚ ሕዚ ‘‘በዚ ጎዲኦምና እዮም፤ ኣብ ዓዲ እማትና ዝሰራሕናዮ ከንቱ ገይሮምዎ እዮም’’ ይብል ገዛሀኝ፡፡ ንሱ ‘‘ዋላኳ ኣብ ኣሌክሳንድራ ዝበሃል ከባቢ ዜጋታት ወጻኢ ንግዲ ይግደፉ ዝብል ምንቅስቓስ እንተሃለወ፡ ኣካላት ሕጊ ተቖጻጺሮምዎ እዮም’’ ይበል እምበር ኣብ ቀረባ መዓልቲ ሓደ ኢትዮጵያዊ ከምዝሞተ ገሊጹ፡፡ ዛጊት ከመይ ከምዝሞተ ከምዘይተፈለጠን ምስዚ ዝተሓሓዝ እንተኾይኑ የጻርዩ ከምዘለዉን ገዛሀኝ ሓቢሩ፡፡ ሓድሽ ሕጊ ዘስዓቦ ካልእ ስግኣት ሽሙ ከይጥቀስ ዝሓበረና ካልእ ነባራይ ከተማ ፒተርስበርግ ድማ ኣብቲ ዝነብረሉ ከባቢ ብዙሕ ስግኣት ከምዘየለ ገሊጹ፡፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ግን ስግኣት ከምዝነበረ ሰሚዑ እዩ፡፡ ንስደተኛታት ካብ ሃገር ዘውጽእ ሓደ ሕጊ ክጸድቕ እዩ ካብ ዝበሃል ጀሚሩ፡ ምንቅስቓስ ኣባላት ዱዱላ ወሲኹ እዩ፡፡ ‘‘ዱዱላ ዝበሃል ጉጅለ ነቲ ስደተኛ ብሓይሊ ክነባርሮ ኢና ብምባል ንፖሊስ ኮነ ንመንግስቲ ሕጊ ኣይነኽብርን ኢሎም ባዕሎም ይፍትኑ ኣለዉ፡፡’’ ገዛሀኝ ከምዝብሎ ድማ ኣባላት እዚ ጉጅለ ኣብ ዝተጸውዕዎ ዝመጹን ግበሩ ዝተባህሉዎ ዝገብሩን እዮም፡፡ ዕላማ እቲ ጉጅለ ዜጋታት ወጻኢ ካብታ ሃገር ክወጹኡ ምግባር ከምዝኾነ ዝገልጽ ገዛሀኝ ‘‘ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ስራሕ ስኢኖም፡ ሲቪ ሒዞም ኣብ ገዛ ኮፍ ኢሎም ኣለዉ፡፡ ሲቪኹም ሒዝኩም ናብ ተቓውሞ ውጹ ኢሎም እዮም ዘለዓዕልዎም’’ ይብል፡፡ ነዚ እዩ ድማ ስግኣቶም እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ፡፡ ‘‘ሐዚ ህዝብና ኣብ ሰቐቐን እዩ ዘሎ፡፡ መዓዝ መጺኦም ከቃጽሉና ይኾኑ እናበለ ኣብ ጭንቀት ዝኣተወ ብዙሕ ሰብ እዩ፡፡ ብዙሓት ጭንቀት ዘለዎም ሰባት ናብ ሆስፒታል ይኸዱ እዮም፡፡ ብዙሕ ጸገም ይፈጥረልና ኣሎ’’ ክብል የረድእ፡፡ ንባዕልኻን ንብረትካን ንምሕላዉ ዝኽፈል ገንዘብ እቲ ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ኢትዮጵያዊ ድማ ኣብቲ ዝነብሩሉ ከባቢ ወርሓዊ ገንዘብ እንተኸፊልኩም ከይትባረሩ ክንገብር ኢና ምስዝበልዎም ኣካላት ጸጥታ ይሰርሑ ከምዘለዉ ጠቒሱ፡፡ ‘‘ዛጊት ጉድኣት ዝበጸሖ የለን፡፡ ኣብቲ ኣነ ዘለኹዎ ጉድኣት ዝበጸሖ የለን፡፡ ምንቅስቓስ ግን ኣሎ፡፡ ዋላኳ ኣብቲ ሕብረተሰብ ስግኣት እንተሃለወ ሐዚ ጽቡቕ እዩ ዘሎ፡፡ ብፍላይ ኣባና [ኣብ ኢትዮጵያውያን] ጽቡቕ ኣመለኻኽታ እዩ ዘሎ’’ ይብል፡፡ ብፍላይ እቲ ስደተኛታት ከባርር እዩ ዝተባህለ ሕጊ፡ ከቢድ ስግኣት ከምዝፈጠረ ይገልጽ፡፡ ገዛሀኝ ከምዘብሎ፡ ኣብ ድሕሪት እቲ ዱዱላ ዝተባህለ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያውያን እውን ተሳተፍቲ እዮም፡፡ ንምንታይ? ንዝብል ሕቶ ድማ ‘‘በብእዋኑ ዕግርግር እንትለዓል፡ ንመረጋግኢ ብዝብል ገንዘብ ይእክቡ እዮም፡፡ እቶም ኢትዮጵያውያን ምስኣቶም [ምስ ኣባላት ጉጅለ ዱዱላ] ገንዘብ ይካፈሉ እዮም’’ ይብል፡፡ ብዛዕባ እዚ ክሲ ግን ቢቢሲ ዘረጋገጾ ሓበሬታ የለን፡፡ ብዙሓት ናይ ነባርነት ወረቐት ዘይብሎም ስደተኛታት ከምዘለዉ ዝገልጽ እቲ ወሃቢ ርእይቶ በቲ ክወጽእ እዩ ዝተባህለ ሓድሸ ሕጊ ብዙሓት ከምዝተሻቐሉን ‘‘በዚ ምኽንያት ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ ስርቅን ካልኦት ጸገማትን ከጋጥሙ እዮም’’ ዝብል ስግኣት ከምዘሎን ተዛሪቡ፡፡ ኣብዚ እዋን እቲ ጉጅለ ተመሳሳሊ ጻውዒት የቕርብ ከምዘሎ ዝገልጽ ገዛሀኝ፡ እቲ ስደተኛ መንበሪ ፍቓድ ክወሃቦ ትጽቢት እንትገብር እዚ ከጋጥም ከምዘሕዝኖ ሓቢሩ፡፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ሓገዝ ዝገበረሎም እንተኾይኑ ዝሓተተ እቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ እዋን ትኹረት እቲ ኤምባሲ ኣብ ካልእ ከምዝኾነ እዩ ዝዛረብ፡፡ ቢቢሲ ነዚ ኣመልኪቱ ካብቲ ኤምባሲ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን፡፡ ገዛሀኝ እቲ ኣብ ዱዱላ ዝረኣይ ዘሎ ስምዒት ናይ ኩሎም ደቡብ ኣፍሪቃውያን ድሌት ከምዘይኮነ እዩ ዝገልጽ፡፡ ስደተኛታት ዘለዎም ዓብዪ ማሕበራውን ቁጠባውን ረብሓ ብምጥቃስ ዝከራኸሩ ከም ታቦ ምቤኪ(ፕረዚደንት ነበር ደቡብ ኣፍሪቃ) ዝበሉ ፖለቲከኛታት ምህላዎም እውን ነቶም ስደተኛታት ተስፋ ዝህብ እዩ፡፡","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60855184"} {"headline":"ኣመሪካ፡ ስደተኛታት ከድሕን ሂወቱ ዝሰኣነ ኣባል ሓለዋ ዶብ ኢቫንስ","content":"ስደተኛታት ከድሕን ኣብ ዝተፈተነሉ ሃለዋቱ ጠፊኡ ዝቐነየ ኣባል ሓለዋ ዶብ ኣሜሪካ ዝዀነ ቢሾፕ ኢቫንስ ኣብ ዶብ ሜክሲኮ ሞይቱ ተረኺቡ። እቲ ወዲ 22 ዓመት ኢቫንስ፡ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ኣብ ቴክሳስ ሪዮ ግራንድ ኣብ ዝበሃል ቦታ ድሕሪ ምርኣዩ'ዩ ጠፊኡ ዝቐነየ። እቶም ክልተ ስደተኛታት፡ ብህይወት ከም ዝተረፉን፡ ብኡ ንብኡ ኸኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተወስዱን ተፈሊጡ'ሎ። ኣብዚ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ስደተኛታት፡ ንቐይድን ምብራርን ተቓሊዖም ከም ዘለው ጸብጻባት የመልክቱ። እዚ ኸኣ ኣብ 20 ዓመት እቲ ዝለዓለ ዝተመዝገበ ቍጽሪ ስደተኛታት እዩ። ኣመሓዳሪ ግዝኣት ቴክሳስ ግረግ ኣቦተ፡ ሞት ኢቫንስ \"ልቢ ዝሰብር\" ክብል ገሊጽዎ። \"ወተሃደራትና፡ ምእንቲ ድሕነትን ኣገልግሎትን ካልኦት መዓልታዊ ህይወቶም ይኸፍሉ ኣለው፤ ኢቫንስ ከኣ ንሃገሩን ኣሜሪካን ግዝኣት ቴክሳስን ብዝገበሮ ጅግንነትን ኣገልግሎትን ንዘልኣለማዊ ብኽብሪ ንዝክሮ\" ኢሉ። ኣባላት ዶብ፡ ነቲ ካብ ግንቦት 2019 ኣትሒዙ ኣባል፡ ሓለዋ ዶብ ዝዀነን፡ ቅድም ኢሉ ኸኣ ኣብ ኩዌትን ዒራቕን ንሃገሩ ዘገልገለን ኢቫንስ ኣብ ጽዑቕ ድልያ ከም ዝቐነዩ ሰበስልጣን ወተሃደራዊ ክፍሊ ቴክሳስ ገሊጾም። ዝሓለፈ ቀዳም፡ ዝጀመረ መስርሕ ምድላይ ኢቫንስ ብሰንኪ ሽዑ ዝወዓለ ብርቱዕ ማዕበል ከም ዝተቛረጸን፤ ሰኑይ ንግሆ እንደገና ከም ዝጀመረን ተገሊጹ'ሎ። ኢቫንስ፡ ብኣመሓዳሪ ግረግ ኣቦተ፡ ዝሓለፈ ዓመት፡ 'ሎን ስታር' ኣብ ዝተሰምየ፡ 'ስርሒት ጸጥታ ዶብ' ተመዲቡ እዩ ክሰርሕ ጸኒሑ። እዚ ስርሒት፡ ቢልዮናት ዶላራት ዝተሰልዓሉ፡ ኣሽሓት ወተሃደራት ዝተዋፈሩሉን፡ ነቲ ኣስታት 2 ሽሕ ኪሎ ሜትር ዝዝርጋሕ ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ንምጽናዕ ዝተበገሰ ፍሉይ ስርሒት እዩ። ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ከም ዝገለጽኦ፡ ኢቫንስ፡ ጃኬቱን ሒዝዋ ዝነበረ ራድዮ ርክብን ኣብቲ ደንደስ ኣቐሚጡ እዩ፡ ነቶም ኣብ ጭንቂ ዝነበሩ ክልተ ስደተኛታት ንምድሓን ናብቲ ቀላይ ዘሊሉ ዝኣተወ። ወተሃደራዊ ኣሃዱ ቴክሳስ፡ እቶም ክልተ ስደተኛታት \"ኣብ ምስግጋር ዘይሕጋዊ ዕጸ ፋርስ ተዋሪሮም ነይሮም\" ብኡ ንብኡ ድማ ናብ ቤት ማእሰርቲ ምክትታል ዶባትን ቀረጽን ኣሜሪካ ተወሲዶም ክብል ኣፍሊጡ። ኣብ ታሕሳስ ዝወጽአ ጸብጻብ ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት፡ ኣብ 2021 ጥራይ፡ ብውሑዱ 650 ስደተኛታት ዶብ ክሰግሩ ከም ዝሞቱ ይግምት። እዚ መጠን-ሞት ስደተኛታት ድማ ምስቲ ካብ 2014 ኣትሒዙ ክግበር ዝጸንሐ ጸብጻባት ብምንጽጻር እንክርአ፡ እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ተፈሊጡ። ሰበስልጣን ምክትታል ዶብ ኣሜሪካ ከም ዝገልጽዎ፡ ጠንቂ ሞት ስድተኛታት መብዛሕትኡ ልዑል ምቘት እዩ። ኣብ ርእሲ'ዚ ድማ፡ ኣብ ሰሙን ብውሑዱ ክልተ ሰገርቲ ስደተኛታት ጠሊቘም ከም ዝሞቱ'ውን እቶም ሰበስልጣን ይገልጹ። ኣሃዛዊ ጸብጻብ ኣሃዱ ምክትታል ዶብን ቀረጽን ከም ዝእምቶ፡ ኣብ መጋቢት ጥራይ 209,000 ሰገርቲ ኣብ ዶብ ተታሒዞም። እዚ ድማ ነቲ ቝጽሪ እሱራት ስደተኛታት ኣብዚ ሽዱሽተ ወርሒ ጥራይ ናብ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኣደይብዎ'ሎ። እቶም ሰበስልጣን ከም ዘጠንቅቕዎ፡ ቅድሚ 'ቲ ብ 'ዓንቀጽ 42' ዝፍለጥ፡ ብሰንኪ ለበዳ ሕማም ኮሮና ዝዘለቐ ምስጓግ ስደተኛታት ዘብቅዓሉ ግዜ፡ ቁጽሪ ሰገርቲ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 18,000 በጺሑ'ሎ። እቲ ዝዘለቐ ሕጊ፡ ዝመጽእ 23 ግንቦት ከብቅዕ እዩ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61226219"} {"headline":"ሓጹር ዘሊሎም ክኣትዉ ካብ ዝፈተኑ ስደተኛታት 18 ሞይቶም","content":"ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ዝርከብ ዝተሓጸረ ከባቢ ግዝኣት ስፐይን ዝዀነ፡ መሊላ ፡ ጥሒሶም ክኣትዉ ካብ ዝፈተኑ ሓያሎ ስደተኛታት 18 ከምዝሞቱ ሰብመዚ ሞሮኮ ገሊጾም፡፡ ገሊኦም ካብቶም ግዳያት ካብ ዝባን እቲ ነዊሕ ሓጹር ዶብ ዝጸደፉ ከምዝኾኑ ጸብጻባት ይሕብሩ፡፡ ድሕሪ እቲ ዓርቢ ንጉሆ ኣብ መንጎ እቶም ስደተኛታትን ሓለውቲ ዶብን ዝተልዓለ ጎንጺ ካብ ክልቲኦም ብዙሓት ሰባት ናብ ሆስፒታል ኣትዮም እዮም፡፡ ሃገራት ሞሮኮን ስፐይንን ዲፕሎማስያዊ ርክበን ካብ ዘመሓይሻሉ ወርሒ መጋቢት ናብዚ ሓያሎ ስደተኛታት ናብ ስፐይን ጥሒሶም ንምእታው እንትፍትኑ ንፈለማ እዋን እዩ፡፡ ሞሮኮ ኣብ ምዕራባዊ ሳህራ ዘለዋ ናይ ሉእላውነት ሕቶ ስፐይን ምድጋፋ ስዒቡ እዩ ርክብ እተን ሃገራት ተመሓይሹ፡፡ ሰብመዚ ስፐይን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ሓጹር ሰይሮም ናብቲ ዝተኸበበ ትሕዝቶ ክኣትዉ ከምዝፈተኑ ገሊጾም እዮም፡፡ መብዛሕተኦም እቶም ስደተኛታት ንድሕሪት ክምለሱ ከምዝተገበሩ ዝሓበሩ እቶም ሰብ መዚ፡ ኣስታት 100 ዝኾኑ ጥሒሶም ዝኣተዉ ግን ኣብ መቐበሊ ስደተኛታት ከምዝተመዝገቡ ኣፍሊጦም፡፡ ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ፡ መሊላን ክዌታን ዝተባህላ ዝተሓጸራ ከባቢታት ግዝኣት ስፐይን፡ ማእከል ናብ ኣውሮጳ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክሰግሩ ዝደልዩ ስደተኛታት ትሕቲ ሳህራ ሃገራት ኣፍሪቃ ኮይነን ጸኒሐን፡፡","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c06vzzyv066o"} {"headline":"ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ኢትዮጵያ ምምላስ ተጀሚሩ","content":"ኢትዮጵያ ኣብ ስዑዲ ዓረቢያ ዝርከቡ ዜጋታት ምምላስ ከም ዝጀመረት ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣፍሊጡ። ሎሚ መዓልቲ፡ ኣስታት 498 ስደተኛታት ኣብ ቦሌ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ዝበጽሑ ኮይኖም፡ ገለ ሰብ ስልጣን'ታ ሃገር ኣቀባብላ ገይሮምሎም። ነቶም ስደተኛታት ካብ ስዑዲ ዓረብ ንምምላስን፡ ኣብ ሃገሮም እግሪ ክተኽሉን ክሰርሕ ዝተጣየሰ፡ ሃገራዊ ኮሚቴ እዩ ሎሚ ነቶም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ስደተኛታት ክምለስ ጀሚሩ ዘሎ። እዚ 16 ኣባላት ዝሓቖፈ ኮሚቴ፡ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ከም ዝዘተየ'ውን ምፍላጥ ተኻኢሉ። እቲ ኮሚቴ፡ ኣብ ውሽጢ ካብ ሸውዓተ ክሳብ ዓሰረት ሓደ ኣዋርሕ ኣብ ዘለዎ እዋን፡ ኣስታት 100 ሺሕ ኢትዮጵውያን ስደተኛታት ንከምልስሰ ይሰርሕ ምህላዉ'ውን ኣብ መግለጺ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ተሓቢሩ። እቶም ስደተኛታት ንምምላስ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፡ ዘለውሉ ኩነታት ናይ ምጽራይን ምምዝጋብን ስራሕቲ ክስራሕ ከም ዝጸንሐ ብምግላጽ ካብቶም ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዝተመዝገቡ ኣብ መዕቀቢ ማእከላትን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲን ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ከም ዘካትት ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ዲና ሙፍቲ ተዛሪቡ ነይሩ። ''ናይ ምዝገባ ስራሕቲ ክስርሑ ስለ ዝጸንሑ፡ 35 ሽሕ ዜጋታት ንክምለሱ ተመዝጊቦም ኣለው። ነዚኦም ኣብ ሓጺር ግዜ ናይ ምምላስ ስራሕቲ ክህሉ'ዩ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይኹን ካብኡ ወጻኢ ዘለው ኩሎም ክምለሱ'ዮም'' ኢሉ። ካብቶም ንክምለሱ ዝተመዝገቡ 35 ሽሕ ሰባት ግን ክንደይ ዝኣክል'ዩ እሱር፣ ክንደይ ዝኣክልከ ኣብ መዕቆቢ ማእከላት ይነብር ዝብል ዝርዝር ሓበሬታ ከም ዘይብሉ ዝገለጸ እቲ ወሃቢ ቃል ''ሓሓሊፉ ብሚዲያን ካልእን እንርእዮም ነገራት ስለ ዘለው ግን እቲ ዘለውሉ ኩነታት ጽቡቕ ከም ዘይኮነ ኢና ንርኢ\" ክብል ኣብሪሁ። ቅድሚ ሓደ ወርሒ ብሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሸዴ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ስዑዲ ዓረብ ብምኻድ ኣብ ዙርያ ኣተሓሕዛ እሱራትን ናብ ሃገሮም ዝምለስሉ ኩነታትን ምስ ሰብ መዚ እታ ሃገር ከም ዝተዘራረበ ሓበሬታ እቲ ሚኒስትሪ የመልክት። ናብ ሃገሮም ንምምላስ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ስደተኛታት ናይ ምምላስ ስራሕቲ ድማ ብምኽንያት ምዝገባን ምጽራይን ከም ዝተደናጎየ ተዛሪቡ። እንተኾነ ኣብቲ ግዜ: ሰብ መዚ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዙርያ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ቅሬታታት ከም ዘልዓሉ ኣምባሳደር ዲና ገሊጹ ነይሩ። \"ሰብ መዚ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት የቕርቡ'ዮም። እቶም ስደተኛታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ብየመን ዝኣተው'ዮም፤ ድሕነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእትው'ዮም፤ ጽቡቕ ስነ ምግባር የብሎምን ወዘተ ዝብሉ'ዮም። ዝኾነ ኾይኑ ግን መንግስቲ ዜጋታቱ ናይ ምውሳድ ግዴታ ስለ ዘለዎ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኩሎም ኣብታ ሃገር ዘለው ክንወስዶም ኢና ኢሉ። በዚ መሰረት እዩ ምዝገባ ተጀሚሩ\"። ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርታት ዓመታት ብምኽንያት ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ቁጠባዊ ጸገማት፣ ሸቕሊ ኣልቦነት፣ ድርቅን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ሓደገኛ ብዝኾነ ናይ ባሕሪ ጉዕዞ ብየመን ኣቢሎም ናብ ስዑዲ ዓረብ ክኣትው ጸኒሖም'ዮም። ውሑድ ዘይብሃል ቑጽሪ ዘለዎም ድማ ብባሕርን በረኻታትን ብዝገብሩዎም ጉዕዞ ብዘጋጥሞም ሓደጋ ምኽንያት ከም ዝሞቱ ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60924914"} {"headline":"“ዓድና ብግቡእ እንተሰሪሕናላ ሃፍታም’ያ” ጎይትኦም ኣበበ","content":"ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ተወሊዱ ዝዓበየ ጎይትኦም ኣበበ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣውስትራልያ ሜልበርን’ዩ ዝነብር ዘሎ። ቅድሚ ናብ ኣውስትራልያ ምእታዉ ዝነበሮ ትጽቢትን ኣብ ባይታ ዝረኸቦን በበይንቱ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60443283"} {"headline":"ባይደን ስደተኛታት ንዝሰጕግ ፖሊሲ ንምስራዝ ዘውጽኦ ውጥን ብቤት ፍርዲ ተዓጊቱ","content":"ኣሜሪካዊ ዳኛ፡ ነቲ፡ ኣብ ዶብ ሜክሲኮ ዝርከቡ ስደተኛታት ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ ዝሰጕግ ፖሊሲ ከብቅዕ ኣለዎ ዝብል ትልሚ ፕረዝደንት ባይደን ገቲእዎ። ዳኛ እቲ ዞባ ሮበርት ሳመርሃይስ፡ እዚ ‘ታይትል 42’ ብዝብል ዝፍለጥ ፖሊሲ፡ ከይለዓል ፈሪዱ። እዚ ኣብቲ ዝሓለፈ 2020 ብፕረዝደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዝወፅአ ፖሊሲ፡ ኣብ ዝቕፅል 23 ግንቦት ናይ ተግባራውነት ግዝኡ ከብቅዕ እዩ። ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ግና፡ ይግባይ ከምዝብል ኣፍሊጡ ኣሎ። እዚ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ ዝወፅአ ፖሊሲ ‘ታይትል 42’ ብፕረዝደንት ባይደን’ውን ክልተ ግዘ ተናዊሑ እዩ። ብሰንኪ እዚ ፖሊሲ ልዕሊ 1.7 ሚልየን ሰባት ተሰጕጎም እዮም። ዳኛ ሳመርሃይስ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ሉዚኒያ ኣብ ዝሃቦ ፍርዲ፡ ናይ ብዙሓት ግዝኣታት ምጉት ኣብ ከይዲ ስለዘሎ፡ እዚ ፖሊሲ ኣብ ቦትኡ ክፀንሕ እዩ ክብል ፈሪዱ። ፕረዝደንት ባይደን ኣብ ትልሚ ምብቃዕ እዚ ፖሊሲ ኣመልኪቱ ኣቐዲሙ ከፍልጥ፣ ግዘ ገደብ ከቕምጥን ካብ ህዝቢ ርኢቶ ክእክብን ከምዝነበሮ ድማ እቲ ዳኛ ገሊፁ። እንተድኣ ክልከላታት ኣብቂዖም ግዝኣታት ክህሰያ ከምዝኽእላ’ውን እቲ ዳኛ ወሲኹ ሓቢሩ። ውሳነ እቲ ዳኛ ከምዘኽብር ዝገለፀ ዋይት ሃውስ ግና ይግባይ ከምዝብል ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣፈኛ ዋይት ሃውስ ካሪን ጃን-ፒረ፡ ምግታእ ፖሊሲ ጥዕና ህዝቢ፡ ብማእኸል ምቁፅፃር ሕማማት (ሲዲሲ) እምበር ብሓደ ዞባዊ ቤት ፍርዲ ዝውሰን ኣይኮነን ኢላ። ፖሊሲ ‘ታይትል 42’፡ ሰብመዚ ኣሜሪካ ዑቕባ ንዝሓቱ ስደተኛታት ጉዳዮም ዝረኣየሉ ዕድል ከይሃቡ ናይ ምስጓግ ስልጣን ዝሃበ እዩ። በዚ ድማ ብዙሓት ህፃናትን ስድራን ተሰጕጎም እዮም። ባይደን ነቲ ኣብ ግዘ ምምሕዳር ትራምፕ ዝወፅአ ፖሊሲ፡ ክሳብ ነሓሰ 2021 ከምኡ እውን ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ተግባራዊ ክኸውን ኣናዊሕዎ ምንባሩ ይዝከር። ማእኸል ምቁፅፃር ሕማማት (ሲዲሲ)፡ ነዚ ፖሊሲ ንምስራዝ ድሉው ከምዝኾነ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣፍሊጡ’ዩ። እንተኾነ፡ ሪፓብሊካንን ገለ ኣባላት ዲሞክራትስን፡ እዚ ፖሊሲ እንተድኣ ተኣልዩ፡ ቁፅሪ ናይቶም ኣብ ዶብ ሜክሲኮን ኣሜሪካን ዝርከቡ ስደተኛታት ክዛይድ እዩ ብምባል ይቃወምዎ ኣለዉ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61533781"} {"headline":"ፍልሰት ኣፍሪቃውያን ምሁራት፡ ‘90 ምኢታዊት መሓዙተይ ክስደዱ ይደልዩ’","content":"ኣብ 4,500 ካብ 18 ክሳብ 24 ዕድመኦም ኣፍሪቃውያን መንእሰያት ዝተገበረ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ እቶም 52 ምኢታዊት ብምኽንያት ቁጠባዊ ጸገማትን ዕድል ትምህርትን ኣብቶም ዝቕጽሉ ውሑዳት ዓመታት ሃገሮም ገዲፎም ክስደዱ ከምዝሓስቡ የመልክት፡፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሓሙሽተ ደቡብ ኣፍሪቃውያንን ናይጄርያውያንን መንእሰያት፡ ኣብ ዓዶም ድሕነት ከምዘይስመዖምን ናይ ስራሕ ዕድል ከምዘየለን ክገልጹ እንከለው፡ ኣብ ጋና ግና እቲ ምስሊዝተፈለየ እዩ፡፡ ነባራይ ሌጎስ ዝኾነ ወዲ 18 ዓመት ኣዮዴ ኦኒ፡ ንኩነታት ጸጥታ ናይጄርያ ‘‘ዘፍርሕ’’ ክብል እዩ ዝገልጾ፡፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ‘‘ኣብ ጠላዕ ቀትሪ’’ ካብ መጭወይቲ ንስለ ተሪፉ፡፡ ኣብ እንዳ መጸገኒ ሞባይል ጸኒሑ ናብ ገዝኡ እንትኸይድ ጉጅለ ወዲኒታት፡ ዘለዎ ነገራት ከረክብ ኣዚዞምዎ፡፡ ቅልጥፍ ኢሉ ንምህዳም ኣብ ዝፍትነሉ፡ ኣብ ጥቕኡ ኣብ ዝነበረ ድኳን ኮይኖም ናብዚ ናዓ ክነዑቑበካ ዝብልዎ ሰባት ረኺቡ፡፡ እንተኾነ መጻወድያ እዩ ነይሩ፡፡ ሃንደበት ሓደ ዘዋሪ ኣውቶብስ፡ እቶም ሰባት ‘‘ጨወይቲ’’ ከምዝኾኑ ብምሕባር ናብታ መኪና ክኣቱ ሓቢርዎ፡፡ ‘‘ኣብታ መዓልቲ ንሱ ኣድሒኑኒ’’ ይብል፡፡ ናይጄርያ፡ ኣብዚ እዋን ገንዘብ ንምርካብ ብዝጨውዩ ገበነኛታት ዝተሸገረት ኮይና፡ እቶም ጨወይቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሚልዮን ዶላር ከምዝረኸቡ ሌጎስ ዝመደብሩ ጉጅለ ምሁራት የረድእ፡፡ ‘‘ምሸት ካብ ገዛ ክወጽእ ኣይክእልን፤ ስድራ ቤተይ እውን ኣይፈቕደሉይን’’ ይብል ኣዮኒ፡፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ልዑል ሸቕሊ ኣልቦነት፣ ድኹም ስርዓት ሓለዋ ጥዕና፣ ድኽነትን ትሑት ናይ ስራሕ ዕድልን ካብታ ሃገር ክወጽእ ዝደፍእዎ ዘለዉ ምኽንያታት ከምዝኾኑ እውን ይገልጽ፡፡ ናይ ኮምፒተር ሳይንስ ትምህርቱ ምስወደአ ስራሕ ዝረኽበሉ ዕድል እኳ እንተሃለወ ሰፊሕ ኮይኑ አይረኣዮን፡፡ ‘‘ቁሩብ ናይ ሰራሕ ዕድል እዩ ዘሎ፤ መብዛሕተኦም ድማ ብዝምድናን ጉቦን እዮም ዝቑጸሩ’’ ይብል፡፡ ናብታ ዝሓልማ ካናዳ ንምኻድ እንተዳኣቀኒዕዎ፡ ናብ ዓዱ ናይ ምምላስ ድልየት የብሉን፤ መብዛሕተኦም መሓዝቱ እውን ከምኡ እዮም፡፡ ‘’90 ምኢታዊት ወይ ኩሎም’’ ካብ ዓዶም ክወጹ እዮም ዝደልዩ ይብል፡፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ልኪኮዊዝ ፋሚሊ ፋውንዴሽን ዝተባህለ ትካል ዘካየዶ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ 95 ምኢታዊት ናይጄርያውያን መንእሰያት ሃገሮም ኣብ ቅኑዕ መንገዲ ኣላ ኢሎም ኣየኣምእኑን፡፡ ብሓፈሻ ካብ ህዝባ ድማ እቶም 28 ምኢታዊት ጥራሕ እዮም ነታ ሃገር እወንታዊ ኣመለካኽታ ዘለዎም፡፡ ስደት ኣፍሪቃውያን ንምዕጋት ዓለም ኣብ ኣፍሪቃ ‘ኢንቨስት’ ክትገብር ኣለዋ ይብል መስራቲ እቲ ትካል መጽናዕቲ ኣይቮር ኢኪኮዊዝ፡፡ ቅድሚ ለበዳ ኮቪድ ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ሃገሮም ክነብሩን ናብረኦም ሃገሮምን ክሃንጹን ድልየት ከምዝበሮም ዝሕብር ኢኪኮዊዝ፡ ኣብዚ እዋን ግና ኣብ ዘተሓሳስብ ኩነታት ከምዝበጸን ናይ ስደት ቅልውላው ክፈጥር ከምዝኽእልን ይዛረብ፡፡ ጋናውያን መንእሰያት ኣብታ ኣህጉር፡ ንሃገሮም ብዘለዎም ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ካብ ርዋንዳ ቀጺሎም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይስርዑ፡፡ ‘‘ዋላኳ ድልዱላት ትካላት እንተዘይሃነጽናን ስርዓትና ድኹም እንተኾነን፡ በሊሕ ሰብ ነዚኦም ክሰግሮም ስለዝኽእል፡ ኣብ ጋና ኮይነ ሕልመይ ከዐውት ይኽእል እየ’’ ይብል መራሒ ሃገራዊ መንእሰያት ተምሃሮ ጋና ወዲ 24 ዓመት ጁሊየስ ክዋመ፡፡ ዋላኳ ገለ መንእሰያት ንሕብረተሰቦም ናይ ምምዕባል ድልየት አንተሃለዎም፡ ገለ ድማ ብሰንኪ ዝበጽሖም በደላት ጨርቆም ደርቢዮም ካብ ዓዶም ክሃድሙ ዝደልዩ ኣለዉ፡፡ ሓንቲ ሽማ ክጥቀስ ዘይደለየት ደቡብ ኣፍሪቃዊት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ትምህርታ ምስወደአት ዛጊድ ስራሕ ዘይምርካባ ከም ሓደ ምኽንያት ብምጥቃስ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ልዑል መጠን ገበን እውን ካብ ሃገራ ክትወጽእ ከምዝደፍኣ ትዛረብ፡፡ ኣብ 2019 ካብ እትመሃረሉ ዩኒቨርሲቲ ናብ መደቀሲኣ እናኸደት ከምዝተደፈረት እትገልጽ እዛ ንእስቲ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድሕነት ከምዘይስመዓ ትገልጽ፡፡ ቅድሚ ለበዳ ኮቪድ ኣብ 2018ን 2019ን፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ጾታዊ ዓመጽ ኣዝዮም ወሲኾም ካብ ዝነበሩ ገበናት እዩ፡፡ ‘‘ኩሉም እቶም ጸገማት ኣንጻር መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ደው ከምዝበሉ እዩ ዝስመዐካ፤ ኣብ ጽርግያ ብሰላም ክንንቀሳቐስ ኣይከኣልናን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ስራሕ ንምርካብ እውን ንቃለስ ኢና ዘለና፡፡’’ ካልእቲ ጓል 23 ዓመት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ማፑላ ማኪ እውን፡ ዕድል ስራሕ ኣብታ ሃገር ጸቢብ ከምዝኾነን ናብ ስደት ከምእትሓስብን እያ እትገልጽ፡፡ ‘‘ምናልባት ነቲ ዝተጻበበ ናይ ስራሕ ዕድል መፍትሒኡ ስደት ከይኮነ ኣይተርፍን፡፡’’ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝለዓለ መጠን ሸቕሊ ኣልቦነት 35.3 ምኢታዊት ኣመዝጊባ ነይራ፡፡ ከም ማኪ ዝበሉ መንእሰያት፡ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ሓደሽቲ ምሩቓት ዩኒቨርሲቲ ‘‘ኢንቨስት’ ክገብር ይሓቱ፡፡","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd16y2n19j6o"} {"headline":"መዓልቲ ስደተኛታት፡ \"ዳርጋ ብዘይ ገበንካ ምእሳር ማለት እዩ\" - ብዝበዛ ጉልበት ዝፍጸሞም ስደተኛታት","content":"ብሰንኪ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ስራሕተኛታት ወትሩ ዝውቀስ ከባቢ፡ እቲ 23 ሚልዮን ስደተኛታት ዘለውዎ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ እዩ። ጸብጻብ 2017 ኣህጉራዊ ውድብ ሰራሕተኛታት ከም ዘመልክቶ፡ መብዛሕትኦም እዞም ወጻእተኛታት ኣፍሪቃውያንን ኤስያውያንን እዮም። እቲ ሸቂሎም ዝልእክዎ ገንዘብ ከኣ ዓንዲ ሕቘ ምጣነ ሃብቲ ሃገሮም እዩ። ዓለማዊ ባንክ ከም ዝብሎ፡ ኣብ 2020፡ 540 ቢልዮን ዶላር ልኢኾም። እዚ ኸኣ እዘን ማእከላይን ትሑትን እትዋት ዘለወን ሃገራት፡ ካብ ንመማዕበሊ ዝወሃበን ሓገዝን ቀጥታዊ ወፍሪ ወጻኢን ዝረኽባኦ ዝለዓለ ምዃኑ ይፍለጥ። እንተዀነ፡ ኣብ ልዕሊ'ቶም ዝተሓተ ዝበሃል ክፍሊት'ውን ዘይረኽቡ፡ መከላኸሊ ድሕነትን ጥዕናን ኣብ ስራሕ ዘይብሎም፣ ኣብ ማሕበር ሰራሕተኛታት ክጽንበሩ ዘይከኣሉን ወጻእተኛታት ዝወርድ ግፍዒን ምዝመዛን መወዳእታ የብሉን። ቢቢሲ፡ ነዚ ምግሃስ ደው ንምባልን ግዳያት ንምሕጋዝን ብዝብል ዕላማ ናይ ገዛእ ርእሶም ትካል ንዘቘሞ ሰለስተ ሰባት ረኺቡ ኣዘራሪብዎም ኣሎ። ልክዕ ከምዚ ብዘይ ገበን ቤት ማእሰርቲ ከም ምእታው ዝቝጸር ምዃኑ፡ ኣብ ሊባኖስ ትሰርሕ ዝነበረት ኢትዮጲያዊት ባንቺ ይመር ትገልጽ። \"ብመሰረት'ቲ 'ከፋላ' ዝበሃል ኣገባብ፡ ሰራሕተኛ ገዛ ኴንካ ምኽዳም፡ ልክዕ ከምዚ ብዘይ ሓደ ገበን ቤት ማእሰርቲ ምእታው እዩ፡\" ትብል፡ እታ ከም ሰራሕተኛ-ስደተኛ ኰይና፣ ሓደ-ሓደ ግዜ'ውን ብዘይ ሰነድ፡ ንሸውዓተ ዓመት ኣብ ሊባኖስ ዝነበረት ባንቺ ይመር። \"ኣብ ሓደ ገዛ እየ ተቘጺረ፣ እንተዀነ ኣብ እንዳ ኣዝማዶም ከይተረፈ ከጽርን መግቢ ክገብርን ይሓቱኒ ነይሮም፡\" ትብል እታ ኢትዮጲያዊት፡ ንቢቢሲ። መብዛሕትኡ ግዜ 18 ሰዓታት ንመዓልቲ ትሰርሕ ነይራ። ኣብ ርእሲኡ፡ ብዘይ መሰረታዊ ቀረባት፡ ንዝወርዳ ጾታዊ ትንከያታት'ውን ክትነጽግ ይነብራ። \"ኣብ ግዜ ቝሪ ይዅን ኣብ ወቕቲ ምቘት ዝዀነ መሳርሒ፣ መውዓዪ ይዅን መዝሓሊ ክጥቀም ኣይፍቀደለይን ነይሩ፣ ነብሰይ ንኽሕጸብ'ውን እኹል ማይ ኣይረክብን ነይረ፡\" ትብል። \"ኣመና ዘጽልእ እዩ ነይሩ፣ ሰነዳተይ ምስቲ ዘስርሓኒ ዝነበረ ሓዲገ ካብቲ ገዛ ሃዲመ ከይደ።\" ደሓር ግን፡ ካብቲ ዓንኬል ጭቈና ንምልቓቕ፡ ሞያዊ ክእለታ ከተዕብን፡ ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝኛ ክትጅምርን ከም ዘለዋ ተገንዘበት። ከምኣ ዝኣመሰላ ሓያለ ሰራሕተኛታት ድማ ረኸበት'ሞ፡ ግዜ ከይወሰዳ ክውደባ ከም ዘለወን ተገንዘበት። \"እና ለኛ በስደት\" [ንሕና ንዓና ኣብ ስደት] ዝብል ማሕበር ከኣ ኣብ 2017 መስረተት። \"ጓል ኣንስተይቲ፡ ብዛዕባ ዝዀነ ጸቕጢ ጉዳያታ ብነጻ ክትዛረበሉ እትክእል ውሑስ ሃዋሁ ኢና ክንፈጥር ደሊና፡\" ትብል። ኣብ መጀመርታ 70 ደቂ ኣንስትዮ፣ ወርሓዊ 5-10 ዶላር እናኸፈላ ነዚ ማሕበር ተጸቢረናኦ። ባንቺ ከም እትብሎ፡ ገለኣተን ልዕሊ ደመዎዘን እየን ዝኸፍላ ነይረን። እዘን ኣባላት፡ ቡን፡ መግቢ፡ ገለ ቀመማት እናሸጣ፡ ባህላዊ መደባት እናወደባ፡ ኣታዊታት እዚ ትካል ክብ ንምባል ሰሪሐን። \"እቲ በዚ መልክዕ ዝተረኽበ ገንዘብ ድማ፡ ነተን ጾታዊ ዓመጻት ዝወረደን ደቀንስትዮ ናብ ኢትዮጲያ መምለሲአን ከም ዝውዕል ጌርና፤ መምለሲ ቲኬት ነፋሪት ካብ 300-400 ዶላር ንሓንቲ እዩ።\" እዚ ትካል'ዚ ኣብ 2018፡ ንሓንቲ ብኸቢድ ሓደጋ ምንዳድ ሓዊ ዝተሃስየት ወሲኽካ፡ 25 ደቀንስትዮ ንሃገረን ከም ዝምለሳ ገይሩ እዩ። ኣብ 2019 ናብ ካናዳ ምኻድ ድማ ስርሐን ንኽዓቢ ከም ዝሓገዘ ትገልጽ። \"ኣብ ካናዳ ልዕሊ 350 ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ከተኣኻኽብ ክኢለ እየ፡\" ትብል'ሞ፡ \"እዚ ድማ ን ልዕሊ 700 ኢትዮጲያውያን ይዅና ዘይኢትዮጲያውያን ሰራሕተኛታት ክንሕግዝ ኣኽኢሉና እዩ።\" ኣብ ልዕሊ'ቶም ዓመጽቲ ዝዀኑ ኣስራሕቲ ዝግበር ሕጋዊ ስጕምቲ ዘይምህላው ግን፡ ንባንቺ ሓደ ካብቲ ተስፋ ዘቝርጻ ነገራት እዩ። \"መብዛሕትአን ኤምባሲታት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባ ሰራሕተኛታት ዜጋታተን ብዙሕ ኣይግደሳን እየን፣ ናብኣተን ቀሪብና እንተሓተትና እውን ዝሕግዛ ኣይኰናን። ናብ ፖሊስ እንተሓበርካ'ውን፡ ሓደ-ሓደ ግዜ ንሳቶም'ውን ተመሊሶም ነታ ሰራሕተኛ ናብቲ ኣስራሒኣ እዮም ኣሕሊፎም ዝህብዋ፡\" ብምባል ነቲ ኵነታት ዝያዳ ተብርህ። ንሳ ከም እትብሎ፡ ገለ ፖሊስ ንኣስራሕቲ ዝህብዎ መጠንቀቕታ፡ ተመሊሱ ንዝያዳ ምትህልላኽን ሕማቕ ኣተሓሕዛን ዝደፍእ ይኸውን። \"ክሳብ ሕጂ ዝተኣስረ ኣስራሒ ኣይገጠመንን፣ እቶም ከቢድ ዝበሃል ገበን ጾታዊ ዓመጽ ዝፈጸሙ'ውን ክእሰሩ ክሳብ ሕጂ ኣይረኣኹን፡\" ትብል። \"ንዝወረደኒ ጾታዊ ዓመት ክከላኸል ኢለ ብምብኣሰይ፡ ብግምጣሉ ኣነ እየ ግዳይ ማእሰርቲ ኰይነ፡\" ትብል ኣን ኣቡንዳ ዝተባህለት ኣብ ኩዌት ትሰርሕ ዝነበረት ፊሊፒናዊት። ከም ብዙሓት ፊሊፒናውያን፡ ኣን ኣብ 2000 ድሕሪ ምምራቓ፡ ብመገዲ ደለልትን ወኪላትን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን እያ ንኽትሽቕል ኩዌት ዝኣተወት። ንሳ፡ ኵሉ ዓይነት ስራሕ ገዛ፡ ማለት ምኽሻን፡ ጽሬት፡ ምሕጻብ ክዳውንቲ፡ ምዕራይ መስመራት ቱቦ ማይ [ጽሩይን ረሳሕን]፡ ጽገና ኤሌክትሪክ ዝኣመሰሉ ነገራት ትዓምም። ክትመጽእ እንከላ፡ ወርሓዊ 450 ዶላር ክኽፈላ ምዃኑ'ኳ እንተ ተነግራ፡ ብግብሪ ግን 200 ዶላር እዩ ኰይኑ። ከም ሰራሕተኛ ገዛ ድማ፡ ኣብቲ ትሰርሓሉ ገዛ እያ ትነብር። \"ንቐለበይ፡ እቲ ተረፎም ጥራይ እዮም ዝህቡኒ፣ እኹል'ውን ኣይኰነን። ደሓር ግን ገለ ዝብላዕ ክሰርቕ ግድን ኰይኑኒ። ሓደ መዓልቲ ምስ ረኸቡኒ ግን፡ ብግቡእ ክቕልቡኒ ብዘይምኽኣሎም፡ ክሓፍሩ ጥራይ ከም ዝግባእ እየ ነጊረዮም፡\" ክትብል ንቢቢሲ ትገልጽ። እዚኣ እታ ቀዳመይቲ ካብተን ዘተታሕዘትለን መዓልቲ እያ፤ ሞባይል ተሌፎን ክትጥቀም ተረኺባ'ውን ተቐጥቂጣ እያ። ኣን፡ ዝሓሸ ካልእ ስራሕ ንኽረኽበላ ንወኪላ ሓቲታቶ፣ እንተዀነ ዝገድድ እምበር ዝሓይሽ ሲ ኣይተረኽበን። \"ሽዑ ኣስራሒየይ፡ ክጋሰሰኒ ፈቲኑ። ብጥርሙስ ኮካኮላ ገይረ ደም ንደም ክሳብ ዝኸውን ሃሪመዮ፡\" ኢላ ተዘንቱ። ብሰንኪ'ዚ ድማ ንኽልተ ዓመት ተኣሲራ። ምስ ተፈትሐት ግን፡ ዳግማይ ኣብ ናይ ገዛ ስራሕ ከምዘይትምለስ ኣቕቢጻ፣ ኣብ ድኳን ስራሕ ረኺባ። ኣብ 2008፡ ኣብ ጽንብል ማሕበረኮም ፊሊፒንስ፡ ምስ ብዙሓት ፊሊፒናውያን ሰራሕተኛታት ተራኺባ፡ ተመሳሳሊ ዛንታታት ግህሰትን ዓመጽን ክትሰምዕ ከኣ ዕድል ረኺባ። 'እቶም ሃለዋቶም ዝጠፍአ፡ ገሊኦም ኣብ ማእሰርቲ ዘለው እዮም፡ ገሊኦም ከኣ ሞይቶም እዮም፡' ይብል፡ ማሄንድራ ፓንዲ ዝተባህለ ኣብ ስዑድያ ዝሰርሕ ዝነበረ ወዲ-ኔፓል። ማሄንድራ ካብ ዓዱ ንስዑድያ ከምርሕ እንከሎ፡ ምስ ምሉእ ተስፋኡ እዩ ተበጊሱ። ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ክረክብ ተተስፍዩ ድማ፡ ነቲ ስራሕ ዝረኸበሉ ደላሊ 500 ዶላር ተለቂሑ ከፊልዎ። እንተዀነ ኣብ ስዑድያ ዝተጓነፎ ዘይከምቲ ዝተጸበዮ እዩ ነይሩ። ነዊሕ ሰዓታት ሰሪሑ፡ ንወርሒ 200 ዶላር ጥራይ ይኽፈሎ። ለቕሓኡ ክመልስ ከምዘይክእል ምስተረድአ ድማ፡ ኣብ ስርሓት ህንጻ ሚነዋለ ኰይኑ ለይተ-ለይቲ ተወሳኺ ስራሕ ጀመረ። ማሄንድራ፡ እንተነውሐ ሰለስተ ሰዓታት ጥራይ እናደቀሰ፡ ንሰለስተ ዓመት ኣብ ስዑድያ ሸቂሉ፡ ተጐሳቝሉን ሓሪኑን፡ ኣብ 2009 ንዓዱ - ኔፓል - ተመልሰ። \"ዝዀነ ንስዑድያ ዝተበገሰ ሰብ ደው ከብሎ ጥራይ እየ ዝደሊ፡\" ይብል ማሄንድራ። ብዙሓት ካብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተመልሱ ሰራሕተኛታት፡ ብመገዲ'ቲ ትካል፡ ኮሚቴ ምትሕብባር ስደተኛታት ኔፓል ኣቢሎም ይረኽብዎን ተመክሮኦም የካፍሉን። \"ሬሳ ናይቶም ኣብኡ ዝሞቱ ሰራሕተኛታት ንዓዲ ንምምጻእ፡ ብመገዲ ኤምባሲታትን ዝተፈላለየ ትካላትን ኣቢልና ንስድራቤት ንሕግዝ፡\" ይብል። ንሱ ብተወሳኺ፡ \"ጋር ነብሲ\" ብምኽፋል ሂወት ሰለስተ መቕጻዕቲ ሞት ዝጽበዮም ዝነበረ ሰራሕተኛታት'ውን ኣድሒኑ እዩ። ብሰንኪ ሕሱም ድኽነት፡ ከምቲ ንሱ ዝሓለፎ ብዙሓት ሰራሕተኛታት፡ ነቲ ዘጋጥም ሓደጋታት ስራሕ ዕሽሽ ስለዝብልዎ፡ ኣብቶም ሰራሕተኛታት ስደተኛታት ዘድሃበ፡ ግንዛበ ዝፈጥር ሰሚናራትን ዓውደ-ዘተታትን ከከይድ ከም ዝደሊ'ውን ይገልጽ። \"ሰደተኛታት ሸቃሎ ናይ ብሓቂ ጀጋኑ፡ ግን ከኣ ዝተጠልሙን ድሕሪት ዝተረፉን እዮም፡\" ይብል። \"ጠንቂ'ዚ ድማ፡ ሓይሊ ስለዘይብሎም እዩ፣ ስርሓይ ድማ ድምጾም ምጕላሕ ክኸውን እዩ።\"","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61244092"} {"headline":"ኣብ ዶብ ኣመሪካን ሜክሲኮን ብዙሓት ስደተኛታት ከምዝተቐየዱ ተገሊጹ","content":"ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ኣብቲ ምስ ሜክሲኮ ዘዳውባ ከባቢታት 1.7 ሚልዮን ስደተኛታት ከም ዝቐየደት ገሊጻ። እዚ ኣብ ሰነዳት እታ ሃገር ዛጊት ዝለዓለ ቁጽሪ ምዃኑ’ውን ተገሊጹ። ካብኣቶም እቶም ልዕሊ 1 ሚልዮን ናብ መክሲኮ ወይ ናብ መበቆል ሃገሮም ከም እተሰጎጉ’ውን ጸብጻባት ጉምሩኽን ሓለዋ ዶብን ኣመሪካ ይነግር። ኣባላት ጸጥታ ካብ ልዕሊ 160 ሃገራት ዝመጽኡ ስደተኛታት እዮም ቀዪዶም። ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብፍላይ በቲ ንኢሚግሬሽን ዝምልከት ፖሊሲኡ ህቡብነቱ የንቆልቁል ከምዘሎ ዝተኣከበ ርእይቶታት የርእይ። 35% ኣመሪካውያን በቲ ፖሊሲ ሕጉሳት ምዃኖም፡ ኣሶሽየትድ ፕረስ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ኣብ ዝገበሮ ዳህሳስ ሓቢሩ። ፕረዚደንት ባይደን ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዶናልድ ትራምፕ ዝሓሸን፡ ዝያዳ ሰብኣዊ ዝኾነ ናይ ኢሚግረሽን ፖሊሲ ክህልዎ ምዃኑ ተመባጺዑ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ዝሓለፈ ትሽዓተ ኣዋርሕ ዘመነ ስልጣን እቲ ደሞክራስኣዊ መራሒ: ዶብ ኣመሪካን ሜክሲኮን ኣብ ቅልውላው ተሸሚሙ ኣሎ። ዝበዝሑ ካብቶም ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ኣመሪካ ክኣትው ዝፍትኑ፡ ካብ መክሲኮ፡ ጓቴማላ፡ ሆንዱራስን ኤል ሳልቫዶርን ዝብገሱ እዮም። ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተው፡ እቶም ዝበዝሑ (64%) ዓቕመ ኣዳም ዝበጽሑ ኮይኖም ቆልዑ ዘይብሎም ምዃኖም እቲ ጸብጻብ ይነግር። እንተኾነ ግና ኣብ ተመሳሳሊ እዋን 145,000 ኣላዪ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ከምዝተረኽቡን እዚ’ውን ዝለዓለ ቁጽሪ ምዃኑን ተገሊጹ። ኣስታት 11,000 ካብቶም ቆልዑ ጌና ኣብ ናብዮት መንግስቲ ይርከቡ። ኣብ ፈለማ እዚ ዓመት ቢቢሲ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ፎርት ብሊስ ቴክሳስ ኣብ ዝገበሮ መርመራ፥ ጾታዊ ዓመጽ፡ ናይ ኮቪድን ቍማልን ለበዳ፡ ዝጠመዩ ህጻናት ብግቡእ ዘይበሰለ ስጋ ከምዝቐርበሎምን እቲ ብቴንዳታት ዝተሰርሐ መጽለሊ ህቦብላ ሑጻ ከምዘጋጥሞን ምጽብጻቡ ዝዝከር እዩ። ሚስተር ባይደን ዝኣተዎ መብጻዓታት ንዋሕዚ ስደተኛታት ከምዘዕረጎ ሪፓብሊካውያን ይኸሱ። ሚስተር ባይደን ናብቲ ዶባት ዑደት ዘይምግባሩ ሕቶታት ክቐርበሉ ጸኒሑ እዩ። ጸሓፊ ፕረስ ዋይት ሃውስ ብዓርቢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ባይደን ኣብ 2008 ምኽትል ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ንምዃን ኣብ ዝጉስጉሰሉ ዝነበረ እዋን በቲ ዶባት ብመኺና ከም ዝሓለፈ ተዛሪቡ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59021925"} {"headline":"ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ብፖሊስ ብዝተተኮሰ ጥይት ዝተሃረመት ቫለንቲና ኦረላና-ፐራልታ ኣብ ሕቑፊ ኣዲኣ ሞይታ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ኣብ ዝርከብ እንዳ ክዳውንቲ ሓንቲ ጓል 14 ዓመት ቈልዓ ካብ ፖሊስ ብዝተተኮሰ ጥይት ኣብ ሕቝፊ ኣዲኣ ከምዝሞተት ወላዲታ ገሊጻ። ካብ ቺለ ናብ ኣመሪካ ዝገዓዘት ቫለንቲና ኦላና-ፐራልታ ምስ ኣዲኣ ኣብ ሓደ እንዳ ክዳውንቲ ድኳን እንከለዋ፡ ፖሊስ ናብ ሓደ ጥርጡር ብዝተኮሱዎ ጥይት እያ ተሃሪማ። እታ ጥይት ኣብ መንደቕ ሃሪማ እያ ተመሊሳ ንቫለንቲና ወጊኣ ቀቲላታ። ኣዲኣ ሶለዳድ ፔራልታ፡ እቶም ፖሊስ ነታ እተጐድአት ጓላ ቅልጡፍ ሕክምናዊ ረድኤት ክገብሩላ እኳ እንተተማሕጸነቶም ንሳቶም ግን እናበኸየት ሓዲጎምዋ ከምዝኸዱ ሓቢራ። ድሕሪ እቲ ሓደጋ ካብ ቺለ ናብ ሎስ ኣንጀለስ ዝመጸ ኣቦ እታ መዋቲት ቖልዓ ጁዋን ፓብሎ ኦላና፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ ጓሉ \"ኣብ ዓለም እታ ብጸጥታኣ ዝሓሸት ሃገር ኣመሪካ እያ\" ኢላቶ ከምዝነበረት ተዛሪቡ። ኩሉ ተግባራት እቶም ኣባላት ፖሊስ ዕሽሽነት ከም ዝነበሮ ድሕሪ ምግላጽ፡ \"ኩሎም ገበነኛታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክሳዕ ዝኣትው ኣይክዓርፍን እየ\" ኢሉ። ኣዛዚ ፖሊስ ሎስ ኣንጀለስ ሚሸል ሙር፡ ነቲ \"ዕግርግር ዝመልኦ ፍጻመ\" ኢሉ ዝጸውዖ ሓደጋ \"ግሉጽን ንጹርን መርመራ\" ክገብረሉ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ኣሎ። ብጠበቓ ኣብ ዝተነበ መግለጺ፡ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ሓደ ክዳን ዝዕቀነሉ ክፍሊ ዱኳን ሰሜን ሆሊውድ፡ ንሳን ጓላን ናይ ልደት ኣልባሳት እናፈተና እንከለዋ ዕግርግርን ዋጭዋጭታን ምስ ሰምዓ ተሓቛቚፈን ክጽልያ ከምዝጀመራ የዘንቱ። ወ\/ሮ ፐራልታ፡ ሽዑ ንጓላ ገለ ነገር ክሃርማ ከም እተሰምዓን ክልቲአን ኣብ ምድሪ ከምዝወደቓን ሓቢራ። ቫለንቲና ዘልሓጥ ኢላ ኣካላታ ደርብያቶ። እታ ኣደ ነቕኒቓ ከተንቅሓ እኳ እንተፈተን ጓላ ግን ኣይተንሰአትን። ረዲኤት ክትረክብ እኳ እንተገዓረት ዝሓገዛ ግን ኣይነበረን። \"ኣብ መወዳእታ፡ እቶም ፖሊስ መጺኦም፡ ካብቲ ክዳን ዝዕቀነሉ ክፍሊ ኣውጺኦም ወሲዶሙኒ፡ ንጓለይ ክሕግዝዋ እኳ እንተ ደለኹ፡ ግን ንበይና ሓዲጎምዋ ከይዶም\" ኢላ። ወ\/ሮ ፐራልታ፡ \"ንዝኾነ ይኹን ሰብ፡ ወዱ ወይ ጓሉ ኣብ ገዛእ ሕቝፉ ክመውት ምርኣይ፡ ካብቲ ሰብ ክሓስቦ ዝኽእል ስቓይ ንላዕሊ እዩ\" ኢላ። ፖሊስ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ውሽጢ እቲ ዱኳን ኰይኑ፡ ንዓማዊሉ ብሰንሰለት መፍትሕ ብሽክለታ የጥቅዖም ከም ዝነበረ ዝገልጽ ሓበሬታ ምስ ረኸቡ እዮም ነቲ ሰብ ክቆጻጸሩ መጺኦም። እቲ ሰባት ዘሸግር ዝነበረ ሰብ እውን ብጥይት ተቐቲሉ'ዩ። እቲ ናብ ፖሊስ እተደወለ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ እቲ ጥርጡር ሽጉጥ ከምዘለዋ እኳ እንተተነግሩ ዳሕራይ ግን እቲ ሰብ ብረት ኣይተረኽቦን። እቲ ናይ ፖሊስ ቪድዮ ካሜራ እቲ ጥርጡር ሰብኣይ ንሓንቲ ሰበይቲ እናገረፋ እንከሎ ከምእተጸግዑዎ የርኢ። ሓደ ፖሊስ ምስተኮሰሉ እቲ ዳንኤል ኤለና ሎፐዝ ዝተባህለ ወዲ 24 ዓመት ጥርጡር ኣብቲ ቦታ ሞተ። ፖሊስ ሓንቲ ጥይት ምስ መንደቕ ተጋጭያ ነቲ ናይ ክዳን መቐየሪ መንደቕ ከም ዝወቕዓቶ ምእማኑ ኣሶሸትድ ፕረስ ጸብጺቡ። እታ በቲ ጥርጡር ዝተጠቕዐት ስማ ዘይተጠቕሰ ሰበይቲ ኣብ ርእሳ፡ ገጻን አእዳዋን ከቢድ ጕድኣት ኣጋጢምዋ። ስድራ ቤት ቫለንቲና፡ እታ ጓል 14 ዓመት ጓሎም ምስኣል ትፈቱ ብምንባራን ኣብ በዓል ልደት መስኣሊ ሰሌዳ ከምዝዓደጉላ ሕጂ ግን \"ምስ መላእኽቲ መታን ክትስእለሉ ነቲ ህያብ ናብ መቓብር ክንወስዶ ኢና\" ክብል ሚስተር ኦላና ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ። ወላዲኣ፡ \"ልበይ ካብ ሰብነተይ ተበርቊቛ ከም ዝወጸውአት እዩ ዝስመዓኒ ዘሎ\" ኢሉ ። እታ ንሽዱሽተ ወርሒ ዝኸውን ኣብ ኣመሪካ ዝጸንሐት ቫለንቲና፡ ኣብቲ ሓድሽ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ድሮ ጽቡቕ ነጥቢ ኣምጺኣ ነይራ። ቫለንቲና ኣብታ ዝሞተትላ መዓልቲ ናብቲ ድኳን ክትከይድ ከላ፡ ኣብ ትምህርታ ጽቡቕ ነጥቢ እናምጸአት ክትቅጽል ከም እትደሊ ንኣዲኣ ነጊራታ። ኣብ መወዳእታኡ ከኣ መሃንድስን ኣመሪካዊት ዜጋን ክትከውን ሕልሚ ከም ዝነበራ፡ ሎስ ኣንጀለስ ታይምስ ጸብጺቡ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59825104"} {"headline":"ስደተኛታት ከምዝኾኑ ዝግለጹ ዝጸዓነት ጀልባ ብምጥሓላ ደሃይ 39 ሰባት ተሳኢኑ","content":"ሰራሕተኛታት ሓለዋ ገምገም ባሕሪ ኣሜሪካ፡ ኣብታ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ምሸት ኣብ ወሰን ፍሎሪዳ ዝጠሓለት ጀልባ ዝነበሩን ሃለዋቶም ዝተስኣነን 39 ሰባት ይእልሹ ምህላዎም ተገሊጹ። ሰብመዚ ኣሜሪካ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ትማሊ ክፈልጡ ዝኸኣሉ፡ ገፈፍቲ-ዓሳ ብሰሉስ: ሓደ ሰብኣይ ምሉእ ኣካላ ኣብ ዘይጠሓለት ጀልባ ኮፍ ኢሉ ካብ ነዊሕ ርሕቐት ከምዝረኣዩ ሓበሬታ ብምሃቦም’ዩ። እቲ ብህይወት ዝተረኸበ ሰብ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብታ ጀልባ ዝነበሩ ሰባት ካብ ሃገረ ባሃማስ ብቐዳም ከምዝተበገሱን ኣብ ሞንጎ ግን ከቢድ ኩነታት ኣየር ከምዘጋጠሞምን ኣረዲኡ። ሰበስልጣን ኣሜሪካ እታ ጀልባ ኣካል “ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት” ክትኸውን ከምእትኽእል ሓቢሮም። ካብቲ ሓደጋ ዝተረፈን መንነቱ ዘይተገለጸን ውልቀሰብ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኩሎም ኣብታ ጀልባ ዝነበሩ ሰባት መድሕን ህወይት ቬስት (ከንሳፍፎም ዝኽእል መሐንበሲ) ከምዘይገበሩ ኣረዲኡ። ኣብዚ እዋን እቲ ኣለሻ ብመራኽብን ነፈርትን ተሓጊዙ ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ’ሎ። ክሳብ ትማሊ ሰሉስ ምሸት ድማ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይተረኸበን ነይሩ። እቶም ሰባት ካብ ዝተበገሱላ ኣብ ጫፍ ምዕራባዊ ክፋል ባሃማስ ካብ እትርከብ ግዝኣት ቢሚኒ ጀሚሩ ክሳብ እታ ኣብ ምብራቓዊ ገምገም ፍሎሪዳ እትርከብ ከተማ ፎርት ፒርስ (ኣስታት 218 ኪሎሜትር) ኣብ ዝሸፈነ ስፍሓት’ዩ እቲ ኣለሻ ዝካየድ ዘሎ። ብዓርቢ ድማ ልዕሊ ዓቕማ 88 ዜጋታት ሄይቲ ዝተጽዓነት ጀልባ ኣብ ኣንፈት ምዕራብ ባሃማስ ከምዝተረኸበት ሓበሬታ ሓላዋ ገምገም የመልክት።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60136748"} {"headline":"ስለምንታይ እዮም ስደተኛታት ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ክሰግሩ ዝፍትኑ?","content":"ሓይሊ ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ ነቶም ኣብ መትረብ ኢንግሊዝ ዝጠሓሉ 27 ሰባት ንምልላይ ጻዕሪ የካይዱ ኣለው። ሞት ናይቶም ስደተኛታት: ስለምንታይ እዮም ሰባት እቲ ጉዕዞ ህይወት ዝፈታተን ሓደገኛ ምዃኑ እናፈለጡ ስቕ ኢሎም ክሰግሩ ዝፍትኑ ዘለው ዝብል ሕቶታት የለዓዕል ኣሎ። ስለምንታይ እዮም ስደተኛታት ብጀላቡ ንመትረብ ኢንግሊዝ ዝሰግሩ ዘለው? ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ኣሰጋገርቲ ደቂሰብ ብመካይን እዮም ካብ ፈረንሳ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ስደተኛታት ዘሰጋግሩ ነይሮም። ሽዑ እውን ዘሕዝን ሓደጋታት የጋጥም ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ 2019፡ 39 ቬትናማውያን ፍርጅ ኣብ ዘለዋ መኪና ሞይቶም ተረኺቦም። ወደብ ካሌ ናይ ፈረንሳን - ናይ ዓዲ-እንግሊዝ ዶባትን ጽኑዕ ቁጽጽር እዩ ዝግበረሉ። ስለዝኾነ ከኣ እዮም እቶም ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ሕጂ ብዝያዳ ብባሕሪ ብናእሽቱ ጀላቡ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ሰባት ዘሰጋግሩ ዘለው ይብል ዳይረክተር ሓለዋ ዶባት ዓባይ ብሪጣንያ ነበር ቶኒ ስሚዝ። ኮቪድ እውን ኣብዚ መስርሕ ተራ ነይርዎ እዩ ይብል ቶኒ ስሚዝ፡ “ብሰንኪ ኮቪድ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝገሻ ዓበይቲ መካይን ምስ ወሓዳ እቶም ኣሰጋጋርቲ ደቂ-ሰባት ሜላታቶም ቀይሮም ብናእሽቱ ጀላቡ ብባሕሪ ሰባት ክልእኹ ጀሚሮም” ይብል። ስለምንታይ እዮም ስደተኛታት ካብ ፈረንሳ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝሰግሩ ዘለው? ገለ መጽናዕትታት ከምዝሕብሮ፡ ቀንዲ ምኽንያት ናይቶም ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ዝሰግሩ ስደተኛታት፡ ስድራ-ቤቶም ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ስለዘለው ምስኣቶም ክኾኑ ስለዝደልዩ እዮም። ኣብ ኣህጉራዊ መጽሔት ጥዕና ተሓቲሙ ዝወጽአ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ እቶም ኣብ ካሌ ኣብ ዝርከብ ግዝያዊ መሰጋጋሪ ነቑጣ \"ጫካ\" ዝነብሩ 402 ስደተኛታት ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ እቶም 12% ጥራይ ኣብ ፈረንሳ ክነብሩ ከምዝደልዩ ገሊጾም። እቶም ዝተረፉ 82% ግን ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክሰግሩ ከም ዝደልዩ ነጊሮም። ካብቶም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክጕዓዙ ዝደልዩ ከኣ ልዕሊ ፍርቂ (52%)፡ ድሮ ኣብ ብሪጣንያ ኣባላት ስድረኦም ከም ዘለዉዎም ገሊጾም። ሓላፊ ረፍዩጂ ካውንስል ኤንቨር ሰሎሞን \"ምስ ዓባይ ብሪጣንያ ምትእስሳር ኣለዎም፡ ገሊኦም ቁሩብ ቋንቋ እንግሊዝ ይዛረቡ እዮም። ስድራ-ቤት፡ ኣዕሩኽን ፈተውትን ከምኡ እውን ዝግደሱሎም ሰባት ኣለዉዎም” ይብል። እቶም ስደተኛታት ንገንዘብን ስራሕን ድዮም ንብሪጣንያ ዝሰግሩ? ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ጀራልድ ዳርማኒን፡ ነጻ ዕዳጋ ስራሕ ዓባይ ብሪጣንያ ነቶም ስደተኛታት ከምዝስሕቦም ይሕብር። ይኹን እምበር ዛጊት ነዚ ዝተባህለ ነገር ዝድግፍ ዝተረጋገጸ መጽናዕቲ የሎን። ብዛዕባ ስደትን ስደተኛታትን ልዑል ፍልጠት ዘለዎ ማርሊ ሞሪስ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ብዘይሕጋዊ መገዲ ምስራሕ ዝግድብ ጽኑዕ ፖሊሲታት ከምዘተኣታተወት ገሊጹ። \"ቅድሚ 20 ዓመት እውን፡ ሰባት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ክትሰርሕ ይከኣል እዩ ዝብል ርእይቶታት ስለዝነበሮም መንግስቲ ኢንግሊዝ ጽኑዕ ሕግታት ስራሕ ኣተኣታትዩ እዩ። \"ዋላ እውን ኣብቲ መለለዪ መንነት ዘየተኣታተናሉ እዋን፡ ፖሊሲታትና ብዘይሕጋዊ መገዲ ንኽትሰርሕ ዝእግድ [ከምኡ እውን] ሕጋዊ ፍቓድ ስራሕ ንዘይብሎም ኣስራሕቲ ብኸቢድ እዩ ዝቐጽዖም\" ይብል። ኣብ ርእሲ እቲ ናይ ቋንቋን ስድራቤታዊ ምትእስሳርን፡ ገለ ካብቶም ኣብ ካሌ ዝርከቡ ስደተኛታት ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ሃገሮም ታሪኻዊ ዝምድና ስለዘለዋ ናብ ዓዲ-እንግሊዝ ክኸዱ ከምዝደልዩ ንቢቢሲ ሓቢሮም ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ምክትል ዳይረክተር በዓል መዚ ጉዳይ ኢምግሬሺን ሮብ ማክኒል፡ ገላ ካብቶም ስደተኛታት እቲ ኣብ ፈረንሳ ዝግበረሎም ኣተሓሕዛ ከም ዘየሐጉሶምን ብሰንኩ ከኣ ናብ ኢንግሊዝ ክሰግሩ ከምዝደልዩን ከምዝሓበሩ ገሊጹ። \"ኣብታ ዝኣተኻላ ሃገር፡ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ከም ዘጋጠመካ እንተሓሲብካ። ኩሉ እቲ ሃዋህው ባህ እንተዘየቢሉካ፡ ካብኡ ክትርሕቕ ጥራሕ ኢኻ ትደልን ትምነን” ይብል። ኣብ ርእሲኡ ምስ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ክወዳደር እንከሎ እቶም ስደተኛታት ሓንሳብ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ እንተኣትዮም ናብቲ ዝመጽኡዎ ሃገር ክምለሱ ከም ዘይክእሉ እዮም ዝሓስቡ ይብል ሚስተር ማክነይል። \"ሓደ ካብቲ ብሓበሬታ እንፈልጦ ነገር፡ ናብ ዝዀነት ሃገር ዝጐዓዙ ሰባት ብዛዕባ እቲ ንስደት ዝምልከት ሕግታትን ተግባራትን ብዙሕ ፍልጠት የብሎምን።\" ዋላ እቲ ጉዕዞ ሓደገኛ እንተኾነ፡ ገሊኦም ክሳብ ንካሌ ዝበጽሑ ብዙሕ ሓደገኛ ጉዕዞ ዝሓለፉ እዮም። ስለዝኾነ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ንኪሰግሩ ካልእ ተወሳኺ ሓደገኛ ጉዕዞ ክኸዱ ፍቓደኛታት ምዃኖምን ይገልጹ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣህጉራዊ መጽሔት ጥዕና ዝተሓትመ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ክልተ ሲሶ ዝዀኑ ሰባት፡ ክሳብ ካሌ ዝበጽሑ ኣብ ዝገበሩዎ ጕዕዞ እንተ ወሓደ ሓንሳብ ዓመጽ ኣጋጢምዎም እዩ። ክንደይ ዝኣኽሉ ስደተኛታት እዮም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝሰግሩ? ዝበዝሑ ስደተኛታት ኣብተን ፈለማ ዝኣተውወን ሃገራት ኤውሮጳ፡ ማለት ኣብ ግሪኽ፡ ቱርኪ ወይ ኢጣልያ ናይ ዑቕባ ሕቶ ስለዘቕርቡ እቶም ውሑዳት ጥራይ እዮም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝሰግሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጀርመን ኣብ ኤውርጳ ዝለዓለ ቁጽሪ ኣመልከትቲ ዑቕባ ዝተቐበለት ሃገር እያ። 122,015 ሓተትቲ ዑቕባ ክህልዋ እንከሎ፡ ፈረንሳ ድማ 93,475 ኣመልከትቲ ነይሮምዋ። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ክትወዳደር እንከላ፡ ብ 36,041 ኣመልከትቲ መበል 5ይ ደረጃ እያ ትስራዕ። ብድምር ከኣ 7% ካብ ሃገራት ኤውሮጳ እያ ሓተትቲ ዑቕባ መጺኦምዋ። ብመሰረት ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከኣ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ከባቢኣ ካብ ዝርከባ ሃገራት ፈረንሳን ጀርመንን ዝወሓዱ ስደተኛታት እዮም ዝመጽኡዋ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59441960"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ “ምስ ደቀይ ሰሪሐ ክልወጥ እየ ዝደሊ”","content":"ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ተወሊደን ዝዓበያ ወ\/ሮ ርሕመት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሰንኪ መንነተን ናይ ምሽቑራር የጋጥመን ስለዝነበረ ናብ ካልእ ሃገር ክስደዳ ከምዝተገደዳ ገሊጸን። ኣብዚ እዋን ድማ ክዳዉንቲ ብታንቴል ሰሪሔን ናብራ ስደት ክስዕራ ላዕልን ታሕትን ይብላ ኣለዋ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/58825437"} {"headline":"ቅልውላው ዶብ ፖላንድ፡ ሃገራት ሓተትቲ ዕቑባ ክመልሳ ይኽእላ ድየን?","content":"ኣሽሓት ስደተኛታት ኤውሮጳ ምስ ቤላሩስ ብዘዳውቡ ምብራቓዊ ዶባት ገይሮም ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ክፍትኑ ጸኒሖም። እዚ ቕልውላው ግን ሓለውቲ ዶባት ፖላንድን ሉታኒያን ሕቶ እቶም ስደተኛታት ከይገምገሙን ከየጻረዩን \"ምድፋእ\" [pushback] ብዝብል ዝፍለጥ ኣሰራርሓ መሰረት ገይሮም ብኣስገዳድ ናብ ቤላሩስ ክምለሱ ገይሮም። እዞም ብሓይሊ ክምለሱ ዝግብር ዘሎ ስደተኛታት እንታይ የጋጥሞም? ወይ ክኣ ከምዚኦም ዝበሉ ገለ ኣሰራርሓታት ሕጋዊ ድዮም? ኣገዲድካ ምምላስ ይውስኽ'ዶ ኣሎ? ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ካውንስል ኤውሮጳ ዱንጃ ሚጃቶቪኽ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ \"ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ\" ብኣስገዳድ ስደተኛታት ምምላስ ክቃወማ ሓቲቱ ነይሩ። እንተኾነ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ዘሎ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። ባይቶ ፖላንድ ሓለውቲ ዶባት ብዘይሕጋዊ መገዲ ዶብ ሰጊሮም ዝመጽኡ ስደተኛታት ብቐጥታ ክሰጉዎም ዘፍቅድ ምምሕያሽ መመርሒ ክገብር እንከሎ እዚ ሕጊ ኮይኑ ክጸድቕ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ይግለጽ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ ሉታኒያ'ውን ተመሳሳሊ ሕጊ ኣጽዲቓ'ያ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕ ስደተኛታት ናብ ሉታኒያ ከይኣትው ተኸልኪሎም ናብ ቤላሩስ ተመሊሶም'ዮም። ሓለውቲ ዶብ ፖላንድ ብወገኖም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ 314 ስደተኛታት ከም ዝመለሱ ገሊጾም። ስምምዕ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ዝኾነ ሓለዋ ዝደሊ ስደተኛ [ዋላ'ውን ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝኣተወ] ዕቑባ ዝረኽበሉ መስርሕ ንክጅምር ክፍቀዶ ኣለዎ ዝብል ሕጋዊ ፍቓድ ይህብ። ሉታኒያ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣመልኪቱ ዝተሓተተ ወሃቢ ቃል ሕብረት ኤውሮጳ \"ሰብ መዚ ሉታኒያ ሕጊ እቲ ሕብረት መሰረት ዝገበረ ናይ ምምላስ መስርሕ ምፍጻምን ግቡእ ዕቑባ ዘድልዮ ከመምዩን ሓላፍነት ኣለዎም\" ኢሉ። እዚ \"መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ምኽባር፣ ዕቑባ ዝረኽብሉ መስርሕ ምርግጋጽን መትከላት ስደተኛታት ብኣስገዳድ ዘይምምላስን\" ዘካተተ ክኸውን ከም ዝግባር ሓቢሩ። እቲ ሕብረት ካብ ዘቕመጦም ቑልፊ ዓለምለኻዊ መትከላት ሕጊ ስደተኛ - 'Non-refoulement' ዝብል ይርከቦ። እዚ ማለት፡ ዝኾነት ሃገር ሓተትቲ ዕቑባ ናብቲ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ክገጥሞም ይኽእል እዩ ተባሂሉ ዝግመት ግዝኣት ወይ ቦታ ከይትሰድድ ዝኽልክል እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን መብዛሕትኦም ካብ ዒራቕ ዝኾኑ ኣብ ቤላሩስ ዝጸንሑ [ካብቲ ስርዓት ዝሃድሙ ዘለው ግን ኣይኮኑን] ዶባት ፖላንድን ሉታኒያን ክሰግሩ ፈቲኖም'ዮም። ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ግን ቤላሩስ ነዞም ስደተኛታት ውሕስቲ ኣይኮነትን ይብል። \"ሕብረት ኤውሮጳ ብሰናይ ፍቓዱ እቲ ዝኸውን ዘሎ ብዓይኒ ዕሙተይ ይሓልፎ ኣሎ\" ይብል ዳይሬክተር ስደተኛታት እቲ ትካል ቢል ፍሬሊክ። ፖላንድን ሉታኒያን ብዘይሕጋዊ መገዲ ዶባተን ዝሰገሩ ስደተኛታት ይመልሳ ምህላወን ኣይሓብኣን። ኣብ ቀረባ መዓልታት ሰብ መዚ ሉታኒያ ስደተኛታት ናይ ምምላስ ስልጣን ከም ዘለዎም ንቢቢሲ ተዛሪቦም'ዮም። ሓላዊ ዶብ እታ ሃገር ቪቱታስ ኩዲስ \"ዘይሕጋዊ ዶብ ሰጊርኩም ኣይትኣትውን፤ ተመሊስኩም ናብ ቤላሩስ ኪዱ ንብሎም ኢና\" ኢሉ። ይኹን'ምበር \"ኣብ መወዳእታ እቶም ስደተኛታት ዕቑባ ዝደልዩ ወይ ዘይደልዩ ክኾኑ ስለ ዝኽእሉ ሕትኦም ክምርመር ኣለዎ\" ይብል። ሶርያዊ ስደተኛ ኣሕመድ ዳንዳሺ፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ ናብ ጀርመን ከም ዝተሰደደ ይዛረብ። እንተኾነ፡ ናብታ ሃገር ቅድሚ ምእታው ፖሊስ ፖላንድ ሽዱሽተ ግዜ ናብ ቤላሩስ ከም ዝመለስዎ ገሊጹ። \"ናብ ጫካ'ዮም ዝመልሱኻ። ወትሩ ንሓቶም ኢና - ኣነ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትውኒ'የ ዝብሎም። ኣብ ፖላንድ ዕቑባ ክሓትት ኣፍቅዱለይ ይብሎም። ሕጋዊ'ዩ፤ ግን ኣይሰምዑን\" ይብል። ሓደ ግዜ ምስ ሰገረ፡ ሓደ ዘይመንግስታዊ ትካል ፖላንድ ንኣሕመድ ረኺቡዎ ናብ ሆስፒታል ወሲዱዎ። ንመዓልታት ኣብ ጫካ ብዘይ ማይን መግብን ብምጽንሑ'ዩ ሓሚሙ። ድሕሪ ሰለስተ ሰዓት ግን ፖሊስ መጺኦም ናብቲ ዶብ ኣብጺሖምዎ። \"ኣብቲ ሆስፒታል ፍጹም ትዕግስቲ ኣይነበሮምን፤ ስቕ ኢሎም ኣብ ልዕለይ ጫውጫው ይብሉ። በጃኹም ናብ ቤላሩስ ኣይትስደዱኒ ግን ኢለዮም\" ይብል። ታሪኽ ኣሕመድ፡ ታሪኽ መብዛሕትኦም ኣብ ቀረባ ሳምንታት ብኣስገዳድ ናብ ቤላሩስ ዝምለሱ ዘለው ስደተኛታት እዩ። እቲ ኣብ ዶብ ዝሰርሕ ዘይመንግስታዊ ትካል ፖላንድ ዝኾነ ግሩፓ ግራኒካ እቶም ስደተኛታት ብተደጋጋሚ ካብ ፖላንድ ናብ ቤላሩስ ብሓይሊ ከም ዝተመለሱ ይገልጽ። ኣሕመድ ድማ \"ብኽልቲኡ ወገን እንንገላታዕ ኩዕሶ ኢና ኾይንና ዘለና\" ኢሉ። ዋላ'ውን ዓለምለኻዊ ሕግታት እንተሃለው፡ ፖላንድን ሉታኒያን ጥራሕ ኣይኮነን ስደተኛታት ብኣስገዳድ ዘውጽኣ ዘለዋ። ኣብዚ ሰሙን፡ ቢቢሲ ብዛዕባ 40 ግዜ ካብ ቦስኒያ ናብ ክሮሺያ ዝሰገረ ኣፍጋናዊ ስድራ ቤት ጸብጺቡ ነይሩ። እዚ ስድራቤትን ወትሩ ናብ ዝመጽኦ ክምለስ እዩ ተገይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፡ ሓለውቲ ገምገም ባሕሪ ግሪክ ባሕሪ ኤጊን ክሰግሩ ዝፈተኑ ስደተኛታት ከጋፍዑዎም ዘርኢ ምስሊ ተዘርጊሑ ነይሩ። \"እዚኦም ቀንዲ መትከላት ኤውሮጳ ዝጥሕሱ'ዮም\" ክብል ኮሚሽነር ውሽጣዊ ጉዳያት ሕብሬእ ኤውሮጳ ይልቫ ጆንሰን ንቢቢሲ ገሊጹ። ብ2021፡ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ጥልጣን መብዛሕትኦም ኣፍሪቃውያን ዝኾኑ ብሜድትራንያን ኣቋሪጾም ዝመጽኡ ሓተትቲ ዕቑባ ኩነታቶም ከየጻረየት ብኣስገዳድ ብምምላስ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺማ ምባሉ ይዝከር።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59364107"} {"headline":"ስደት፡ ንልዕሊ ሽድሽተ ኣዋርሕ ደሃየን ዘይተረኽበ ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክነብራ ዝጸንሓ ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድሕሪ ምጅማር ኲናት ትግራይ፡ ንድሕነተን ስለ ዝሰግኣ እየን ናብ ኣዲስ ኣበባ መጺአን ክነብራ ጸኒሐን። ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ሰላማዊት ኣምባሳደርን ራሄል መርሃዊን ዝተባህላ እዘን ክልተ ኤርትራውያን ኣብ ኬንያ ዞባ ኢስዮሎ ኣብ ዝርከብ ያሚቻ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ምስ በጽሓ ተሰዊረን። ንዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሙሉእ ድሃየን ጠፊኡ ስለ ዘሎ ኣብ ልዕሊ ስድራቤተንን ፈተውተንን ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ። ቢቢሲ ንስድራ-ቤተን ብምዝርራብ ነቲ ዛንታ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣቕሪቡዎ ኣሎ። እተን ክሳብ ሕጂ ድሃየን ተሳኢኑ ዘሎ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ኢትዮጵያ ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ናብ ኬንያ ክሰግራ እንከለዋ ከም ዝጠፍኣ ቤተሰበን ይዛረቡ። ሙሉጌታ ኣምባሳደር፡ ሰላማዊት ሓፍቱ ካብ ኢትዮጵያ ክትብገስ እንከላ ኣብ ናይሮቢ ምስ እትቕመጥ ሓንቲ 'ዘይሕጋዊት ኣሰጋጋሪት' ብ9 መጋቢት ብገንዘብ ተሰማሚዓ ከም ዝተበገሰት ይዛረብ። \"ደሃይ ምስ ኣጥፈአት [ነታ ኣሰጋጋሪት] ብዙሕ ግዜ ደዊልና ሓቲትናያ፤ 'ይመጽኣ ኣለዋ፣ ቀሪበን እየን' ትብለና ነይራ። ምስ ደንጎያ ግን ድሕሪ ሰሙን ናብቲ በረኻ ብኣካል ከይደ ደልየ ግን ኣይተዓወትናን\" ይብል። ሰላማዊት፡ ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ 2018፡ ዶባት ምስተኸፍተ ናብ ትግራይ ካብ ዝኣተው ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት እያ። ግን ከኣ እቲ ኩናት ምስ ቀጸለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እውን ረጊኣ ክትነብር ስለ ዘስገኣ ዓዲ ክትቅይር ከም ዝሓሰበት ሙሉጌታ ሓዋ ይዛረብ። \"ንሕና እቲ ኲናት ክሳብ ኣበይ'ዩ ከስፋሕፍሕ ዝብል ዝፍለጥ ነገር ስለ ዘየለ ካብታ ሃገር ንምውጻእ ውሳነ ገይራ ኢና ንብል። ግን ብልክዕ እቲ ንኬንያ ከስግራ ዝኽኣለ ነጥቢ እንታይ'ዩ ዝብል ምስ ረኸብናያ ካብ ቃላ እንሰምዖ'ዩ ክኸውን\" ይብል። ይኹን'ምበር በዓል ሰላማዊት ዝርከብኦም ስደተኛታት፡ ያሚቻ ኣብ ዝተባህለ ናይ ኬንያ ከባቢ ምስ በጽሑ ፖሊስ ጠጠው ከብሉዎም ምስ ፈተኑ ከም ዝተበታተኑን ብዝተፈላለየ ኣንፈት ክሃድሙ ክብሉ ኣብ ኢድ ካልእ ኣሰጋጋሪ ከም ዝወደቑ፡ ወላዲ ራሄል ኣቶ መርሃዊ ተስፋሚካኤል ካብቶም ዕድል ገይሮም ንኬንያ ዝኣተው ስደተኛታት ደሃይ ከም ዝረኸቡ ገሊጾም። \"ክሳብ ሞያሌ እትበጽሕ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረን፤ ሞያሌ በጺሓ መጺአ ኣለኹ ኢላትኒ። እናተጸበኹዋ ግን ጠፊኣ ሰሚዐ። ነታ ተስግረን ነይራ ዝተባህለት ውልቀ ሰብ ከዘራርብ ድሃያ ክሓትት ጽዒረ'የ። ምፍርራሕ ስለ ዝበጽሐኒ ግን ንዓኣ ገዲፈ ንጓለይ ናብ ምድላይ ከይደ። ንኹሉ በረኻታት ሞያሌ በጺሐ'የ\" ከኣ ኢሉ። ሄለን፡ ኣብ ኢትዮጵያ መዓስከር ዓዲ ሓርሽ ከም ዝጸንሐትን እቲ ኲናት ምስ ተጀመረ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝመጽአትን ኣቶ መርሃዊ ተዛሪቡ። ሰላማዊት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ መዓስከራት ምዕጻው ኣብ ዝጀመረሉን ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት [ዩኤንኤችሲኣር] ምዝገባ ጠጠው ኣብ ዘበለሉ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ስለ ዝመጽአት ከይተመዝገበት ከም ዝጸንሐት ስድራቤታ የረድኡ። ትካል ስደተኛታት ኢትዮጵያ ካብ ወርሒ ጥሪ 2020 ጀሚሩ ስደተኛታት ምምዝጋብ ደው ኣቢሉ ምንባሩ ይዝከር። ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብሰንኪ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዝተናውሐ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ዝተሰደዱ እዮም ዝሕብሩ። ኣብ ጥቅምቲ 2020 ብዝነበረ ጸብጻብ ኢትዮጵያ ኣስታታት 149 ሽሕ ኤርትራውያን ሰደተኛታት መዝጊባ ነይራ፤ እቶም ዝበዝሑ ኸኣ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ መዓስከራት እዮም ነይሮም። ምጥፋእ ናይዘን ክልተ ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ንፖሊስ ኬንያ እኳ ስለ ዝተሓበረ እታ ብምስግጋር እዘን ስደተኛታት ዝተጠርጠረት ውልቀ ሰብ ኣብ ቀይዲ ኣትያ ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐረበትን ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ቤት ጽሕፈት ዩኤንኤችሲኣር ኣብ ኢትዮጵያ ንቢቢሲ ብጽሑፍ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ውሕስነትን ድሕነትን ሰባት ቐዳምነት ስለ ዝህቦ ንህዝቢ ብዛዕባ ውልቃዊ ጉዳያት ግዳያት ሓበሬታ ከም ዘየካፍል ሓቢሩ። ይኹን እምበር ብሃለዋት ደቆም ዝተጨነቑ ስድራቤት ዝኾነ ሓበሬታ ዘለዎ ወገን ደሃይ ደቆም ክነግሮም ይምሕጸኑ ኣለው። ሓው ሰላማዊት፡ ሙሉጌታ ኣምባሳጀር [ሓፍቱ] ኣመጻጽኣኣን ብኽፋል ሕጋዊ ብኽፋል ድማ ዘይሕጋዊ ኣገባብ ከም ዝነበረ ብምግላጽ፡ እዚ ንምጥፍኣ እጃም ክህልዎ ከም ዝኽእል ግምቱ ገሊጹ። \"ብመደብ እቶም ዘስግሩወን ዝነበሩ ሰባት ካብ ኣዲስ ኣበባ፡ ብናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ እየን ናብ ሞያሌ ክበጽሓ ክኢለን። ድሕሪኡ ክሳብ መሬት ኬንያ ዘይሕጋዊ ስግረ ዶብ'ዩ ተፈጺሙ። ድሕሪ ምጥፍአን ከይድና ከም ዝርኣናዮ ድማ እቲ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ መገዲ ሕጋዊ ወይ መንግስቲ ኣፍልጦ ዝሃቦ ኣይነበረን\" ኢሉ። ንኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ዘዳውብ ኣከባቢ እትርከብ ከተማ ሞያሌ ኣብዚ እዋን ማእከል ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ትኸውን ምህላዋ ይዝረብ። እቶም ኣሰጋገርቲ ብናኣሽቱ መካይን፣ ሞተር ሳይክል፣ ካሮሳን ሰብን ስደተኛታት የጓዓዕዙ። እቲ ኢሶሎ ናብ ያሚቻ ዝወስድ መገዲ ድማ ኣዝዩ ሓደገኛን ጽኑዕ ሓለዋ ከም ዝካየደሉን ጸብጻባት ይገልጹ። ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ እዚ ዓመት [2021 ዓ.ም] ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኣብ ሊብያ ኣሽሓት ስደተኛታት ብምስርጣይ ንዝኽሰስ ፍሉይ ኤርትራዊ ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ ደቂ ሰባት ብናይ 18 ዓመት ማእሰርቲ ክቕጻዕ ከም ዝወሰነ ይፍለጥ። እዚ ወሊድ ብዝብል ቅጽል ሽም ዝፍለጥ \"ተወልደ ጎይትኦም\" ዝበሃል ሰብ ምስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ብዝተሓሓዝ ብሓሙሽተ ክስታት ገበነኛ ስለዝተባህለ ክልተ ሚኢቲ ሽሕ ብር ክኸፍል'ውን ተፈሪዱ'ዩ። ኣብ 2007 ዓ.ም ጥራይ ኣስታት 30 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ናብ ምድረበዳ ሲናይ ተወሲዶም ገንዘብ ክኸፍሉ ከም ዝተገደዱን ገለ ክፋል ኣካሎም'ውን ከም ዝተሸጠን ጸብጻባት ይሕብሩ። ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ምብራቕን ኣፍሪቃን፡ ገሊአን መተሓላለፊ ገሊአን ድማ መዕቖቢ እቶም ብዝተፈላለየ መገዲ ካብ ሃገሮም ዝወጽኡ ስደተኛታት እቲ ዞባ ኮይነን፡ ኢትዮጵያ፣ ሶማሊያ፣ ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን መበገሲ፣ መመሓላፍን መወዳእታን ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደተኛታት ከም ዝኾነ ሰብ ሞያ ይገልጹ። ኤርትራ ቐንዲ ምንጪ ዘይስሩዕ ወይ ዘይሕጋዊ ስደት ኮይና፡ ኬንያን ሱዳንን ብቐንዱ መተሓላለፍን መዓርፎን'የን። ጅቡቲ ድማ ብዘይስሩዕ መገዲ ናብ የመንን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ዝኸዱ ስደተኛታት ዝመሓላለፉላ ከም ዝኾነት ኣብዚ ዙርያ ዝተኻየዱ መጽናዕታት ይጠቕሱ። ኣብዘን ሃገራት ዝፍጸም ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ሓለፍቲ ሰብ መዚ መንግስቲ'ውን ዝተሓወሱዎ ስለ ዝኾነ እቲ ጸገም ንምግታእ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ከም ዝገብሮ ይግለጽ። ዩኒቨርሲቲ ኔዘርላንድ ብ2017 ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ ካብ 2009 ክሳብ 2013 ኣብ ዘሎ ግዜ ጥራይ ካብ 25 ሽሕ ክሳብ 30 ሽሕ ዝግመቱ ሰባት ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግግር ኮይኖም ይብል። ብተመሳሳሊ 95 ሚኢታዊት ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዝኾኑ መበዛሕትኦም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኮይኖም ኢትዮጵያውያንን ሶማሊያውያንን ከም ዝርከቡዎም ዩኤንኤችሲኣር ብ2014 ዘውጽኦ ጸብጻብ ይሕብር። ኣብዚ ዓመት ኢትዮጵያ፣ ኡጋንዳ፣ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን ዝርከብኦ 24 ሃገራት ዝተሳተፋሉ ወፍሪ ህጻናት ዝርከቡዎም 500 ግዳያት ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ስደተኛታት ክድሕኑ እንከለው 195 ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም'ዮም። እቲ ስርሒት ብምትሕብባር ኢንተርፖል ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ንግድን ደቂ ሰባት ዝተኻየደ እዩ ነይሩ። ኣብዚ፡ ፖሊስ ሱዳን 100 ግዳያት ብምድሓን ግዳያት ናብ ማእከላይ ምብራቕ ከስግሩ ዝፈተኑ ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ዝርከቡዎም ጉልበት ህጻናት ኣብ ፋብሪካ ፕላስቲክ ዝበዝበዙ ልዕሊ 20 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወት እቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2021 ዝወጽአ ጸብጻብ ይሕብር። ኬንያ፣ ኡጋንዳን ሞሮኮን'ውን ዓብዪ እጃም ካብ ዝነበረን ሃገራት ምዃነን ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ዘይሕጋዊ ስደትን ዘዘራረብናያ ተሓላቒት መሰላት ስደተኛታት ሜሮን እስጢፋኖስ፡ ካብ ቀረባ እዋናት ንነጀው ኢትዮጵያ ማእከል ዘይሕጋዊ ስደትን ኣስገርትን ትኸውን ከም ዘላ ገሊጻ ነይራ። እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ንብዙሕ ሰባት ኣሰናኺሉ'ዩ ዝበለት ሜሮን፡ እቲ ኩነታት ምስ መጽአ ድማ ነቶም ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ሰባት ዓብዪ ዕድል ኮይኑሎም ናይ ሊብያ መገዲ ተጀሚሩ እናተባህለ ብዙሕ ሰብ ይብገስ ኣሎ ኢላ። \"ኣብዚ ሕጂ እዋን ኩሎም ካብ መዓስከራት ዝወጽኡ ደቂ 15፣ 16 ዓመት ስደተኛታት ናብ ሊብያ ተበጊሶም ኢኻ ትሰምዕ። በጃኹም ኢልና ዝሰምዐካ የለን ምኽንያቱ እቲ መንእሰይ ስለ ዝመረሮ ኩሉ ኣብኡ ክፍታሕ እዩ ኢሉ እዩ ዝሓስብ። \"በዚ ሰዓት ኢትዮጵያ እታ ዝዓበየት ማእከል ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ኮይና ኣላ። እዚኦም ናብ ሊብያ፣ ሱዳን፣ ኡጋንዳ እናበሉ ዝተፈላለየ ምርጫ ስለ ዝህቡዎም ብዙሓት ይብገሱ ኣለው። እዚ'ዩ እቲ ዘሕዝነካ\" ክትብል እቲ ኩነታት ከም ዘሰክፋ ገሊጻ። \"ብፍቓድካ ዝኸይድ ውላድ የለን\" ዝብል መርሃዊ ናይ ጓሉ ምብጋስ ከም ዘይተቐበሎን ግዳይ ዘይሕጋዊ ስደት ምዃና ከም ዘሕዘኖ ይሕብር። \"እቶም ጨካናት ኣሰጋገርቲ ኩሊት ሰባት ከም ዝሸጡ እናተነግሮ እውን እንተኾነ ስቕ ኢሉ ስለ ዝብገስ፡ መንእሰይ ወለዶ ካብዚ ከቢድ ሓደጋታት ዘኸትል ዘሎ ዘይሕጋዊ ስደት ክቑጠብ\" ተማሕጺኑ። ድሕሪ ውዑል ሰላም ኣልጀርስ 2000 ምፍራሙ፡ ልዕሊ እቲ ዝግበኦ ናይ ኣገልግሎት ግዜ ኣብ ንጡፍ ምክልኻል ሃገር ዝነበረ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ሰላማዊ መነባብሮኡ ንክገብር ክጣየስ፣ ብምኽንያት ዶባዊ ኵናት ተወንዚፉ ዝጸንሐ ዘቤታዊ ፖለቲካን ተሰናኺሉ ዝጸንሐ ቁጠባዊ ገስጋስ ክበራበር ትጽቢት ዝነበሮ መንእሰይ መሪሕነቱ ብፖለቲካዊ ርእይቶታቶም ኣብ ክልተ ተሰንጢቑ። ፍልልዮም ኣብ ክንዲ ብዘተን ልዝብን ዝፈትሑዎ ብማእሰርቲ ዓፈናን ስለ እተደምደመ ንመንፈስ ብዙሓት መንእሰያት ከም ዝተንከፈን ስደት ከም ውሕጅ ከም ዝቐጸለን ኣብቲ ዓውዲ ምርምር ዘካየድ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረብኣብ ይገልጽ። ካብ ሽዑ ክሳብ ሕጂ ከኣ ኣብ ፈቐድኡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከቢድ ኩለንትናዊ ግህሰትን ሞትን የጋጥም ከም ዘሎ ጸብጻባት ኣህጉራዊ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የረድኡ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58622015"} {"headline":"ብዛዕባ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ዝዝትይ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ርያድ ኣትዩ","content":"ብሚንስተር ገንዘብ ኣቶ ኣሕመድ ሽዴ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ኩነታትን ኣተሓሕዛን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውን ብዝምልከት ምስ ሰበስልጣን እታ ሃገር ንምዝርራብ ናብ ሪያድ ከምዝኣተወ ኤምባሲ ኢትዮጵ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣፍሊጡ። እዚ ጉጅለ ልኡኽ፡ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ኣዝዩ ሕሱም ብዝኾነ ኩነታት ይሳቐዩ ምህላዎም ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ ናብታ ሃገር ገይሹ ዘሎ። እቲ ጉጅለ ብዘይካ’ቲ ንኣተሓሕዛ ኢትዮጵያውያን እሱራት ኣመልኪቱ ዘካይዶ ዘተ፡ ኣብ ካልኦት ክልትኣዊ ጉዳያትን ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ዘሎ ኲናትን ብዝምልከት መብርሂ ክህብ ትጽቢት ይግበር። ካብ ኢትዮጵያ ዝኸደ ልኡኽ ምስ ንጉስ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ሰበስልጣን እታ ሃገርን ክዝትይ ምዃኑ ነቲ ጉዳይ ዝከታተሉ ምንጪታት ሓበሬታ የመልክቱ። ብረቡዕ 18 ጥሪ 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ናብ ሪያድ ዝኣተወ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን፣ ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት፣ ዓበይቲ ዓድን ዲፕሎማሰኛታትን ዝሓቖፈ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሚንስትር ድኤታ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፣ ፕረዚደንት ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ሙፍቲ ሓጂ ዑመር እድሪስ፣ ቀሺ ታጋይ ታደለ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ሌንጮ ባቲን ካልኦትን ይርከብዎ። እታ ብሃብቲ ነዳዲ እትፍለጥ ሃገር ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ናብርኦም ንምምሕያሽ ብስደት ካብ ሞንጎ ዝኸዱለን ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ሓንቲ ምዃና ይፍለጥ። ይኹን’ምበር መንግስቲ እታ ሃገር ናይ ስራሕን መንበሪን ፍቓድ የብሎምን ንዝበሎም ኢትዮጵያውያን፡ ኣብ ኣዝዮም ጸበብትን ዘይምችዋትን ኣብያተ ማእሰርቲ ከምዘጽንሖም ብተደጋጋሚ ኣብ ዝሰራሕናዮም ጸብጻባት ሓቢርና ኔርና። እቶም እሱራት እኹል መግብን ኣገልግሎት ሕክምናን ክረኽቡ ኣብ ዘይክእሉሉ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኩነታት ከምዝርከቡ ይዛረቡ። ቅድሚ መዓልታት ናብ ቢቢሲ ዝበጽሐ ቪድዮ ድማ ነቲ ዘለዉሉ ኩነታት ዘረጋግጽ’ዩ። ኣብ ጸቢብ ክፍሊ ተጨናኒቖም ዝተኣሰሩ ኢትዮጵያውያን ክዳውንቶም ተወዲኡ፣ ጸሊም ፌስታል ተኸዲኖምን ተጎሳቚሎምን ኣብቲ ቪድዮ ይረኣዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብቶም ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ዝርከቡን ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ድልየት ዘለዎምን ዜጋታቱ ካብ ስዑዲ ከውጽኦም ጸኒሑ’ሎ። ኩነታት ኣተሓሕዛ እሱራት ንምትዕርራይ ድማ ብሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣቢሉ ምስ ሰበስልጣን እታ ሃገር ክዘራረብ ምጽንሑ ይገልጽ። ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ግን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ዝበጽሖም ዘሎ ገልታዕታዕን ስቅያትን ንኽንኪ እኹል ጻዕሪ ኣይገበረን ክብሉ ይነቕፉ። ሓደ ካብኣቶም ዝኾነ መሓመድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ካብ መንግስቶም ፍታሕ ከምዝጽበዩ ገሊጹ ነይሩ። “ንመንግስቲ እዛ ሃገር ክንወቅስ ኣይንኽእልን። ክንወቅስ እንተኾይንና ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኢና ንወቅስ። መንግስቲ ሃገርና ስለዝኾነ ኢና ክተሓባበሩና ንሓትት ዘለና” ይብል። ወሃቢ ቓል ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ንኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ስራሕ ቁሩብ ምዝሕሓል እንተነበሮ’ኳ ከምዘይተቛረ’ዩ ሓቢሩ። ነቶም ኣብ ስዑዲ ተጸጊሞም ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ስራሕቲ መሊሱ ከምዝጅምር’ውን ገሊጹ ነይሩ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60166085"} {"headline":"ብዘይ-ሕጊ ናብታ ሃገር ኣትዮም ዝበሎም 91 ኢትዮጵያውን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ፖሊስ ኬንያ ሓቢሩ","content":"ናብ ኬንያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣትዮም ዝበሎም 91 ኢትዮጵያውያን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ፖሊስ'ታ ሃገር ኣፍሊጡ። ፖሊስ ኬንያ፡ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝኣተዉ ዘይሕጋውያን ዝበሎም ስደተኛታት ንምርካብ ኣብ ዘካየዶ ስርሒታት ነቶም ኢትዮጵያውን ስደተኛታት ኣብ ሓደ ካብ ርእሰከተማ ናይሮቢ ውጽእ ኢሉ ዝርከብ ቤት ከምዝረኸቦም ኣፍሊጡ። ክፍሊ መርመራ ገበን ፖሊስ ኬንያ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ስደተኛታት ኩሎም ልዕሊ 25 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ደቂ-ተባዕትዮ ከምዝኾኑን፡ ማዕጾ ሰይሮም ካብቲ ዝነበርሉ ቤት ክወጹ ከምዝፈተኑን ጠቒሱ። እቶም ስደተኛታት ብሓገዝ ኣሰጋገርቲ ብናይ ጽዕነት መኪና ናብታ ሃገር ከምዝኣተዉን፡ ናብ ካልእ ሃገር ክሰግሩ መደብ ከምዝነበሮምን ሓበሬታ ፖሊስ የመልክት። እዞም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ናብታ ሃገር ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣትዮም ተባሂሎም ብሰብመዚ ጸጥታ ዝተታሕዙ ዝበዝሑ ስደኛታት ምዃኖም ተፈሊጡ። ፖሊስ ኬንያ ነቶም ዘምጽእዎም ኣሰጋገርቲ ንምሓዝ ይሰርሑ ከምዘለዉ'ውን ተገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ'ውን፡ 10 ቆልዑ ዝርከብዎም 14 ኢትዮጵያውያን ብተመሳሳሊ መንገዲ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ኣትዮም ነይሮም። ምስኦም ብዝተሓሓዝ ድማ ክልተ ኬንያውያን ተታሒዞም ምንባሮም ጸብጻባት ሰብመዚ ጸጥታ ኬንያ ይሕብሩ። ብዙሓት ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ስደተኛታት፡ ናብ ኬንያ ንምእታው ይኹን ናብ ካልእ ሳልሳይ ሃገር ንምኻድ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ከምዝኣትዉ ይፍለጥ። ኣብዚ ቀረባ እዋን'ውን፡ ገለ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኬንያ ክኣትዋ ኣብ ዝፈተናሉ ሃለዋተን ከምዝጠፍአ ይዝከር። እተን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብራ ዝነበራ ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድሕሪ ምጅማር ኲናት ትግራይ፡ ንድሕነተን ስለ ዝሰግኣ እየን ናብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምኻደን፡ ካብታ ሃገር ክወጻ ተገዲደን። ሰላማዊት ኣምባሳደርን ራሄል መርሃዊን ዝተባህላ እዘን ክልተ ኤርትራውያን ኣብ ኬንያ ዞባ ኢስዮሎ ኣብ ዝርከብ ያሚቻ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ምስ በጽሓ'የን ተሰዊረን። ንዝሓለፈ ልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ድማ ድሃየን ጠፊኡ፡ ኣብ ልዕሊ ስድራቤተንን ፈተውተንን ሻቕሎት ፈጢሩ ጸኒሑ'ሎ። ገለ ካብዞም ካብ ኢትዮጵያ ተበጊሶም ብኬንያ ዝሓልፉ ስደተኛታት ናብ ዩጋንዳን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝበላ ሃገራት ከምዘምርሑ ይግለጽ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59942609"} {"headline":"ዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዘኸተሎ ምቁራጽ መሸጣ ንኣሽቱ ጀላቡ","content":"ናውቲ ስፖርት ብምሻጥ ዝፍለጥ መደብር ዴካትሎን እቶም ባሕሪ ዝሰግሩ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝጥቀሙለን ታንኳ (ንኣሽቱ ጀላቡ) ምሻጥ ኣቋሪጹ። እቲ መደብር ኣብ ሰሜን ፈረንሳ ንዕዳጋ ዘቕርበን ዝነበረ ታንኳታት ምሻጥ ዘቋረጸሉ ቀንዲ ምኽንያት እቶም ናብ ካናል እንግሊዝ ዝሰግሩ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ከይጥቀሙለን ብዝብል’ዩ። ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ ካብ ዘለዉ መዓስከራት ስደተኛታት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ንምእታው ዝፍትኑ ስደተኛታት ቁጽሮም ብዝለዓለ መጠን ይውስኽ ብምህላዉ ናብዚ ውሳነ ከም ዝበጽሐ ድማ ኣረዲኡ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 1,185 ስደተኛታት ንካነል (መትረብ) እንግሊዝ ብምስጋር ናብ እንግሊዝ ከም ዝኣተዉ ይዝከር። እቲ ቁጽሪ ከኣ ዝለዓለ ኮይኑ ተመዝጊቡ’ሎ። ኣብ ጽባሕ እቶም ስደተኛታት ዝሰገሩሉ መዓልቲ ድማ ካልኦት ስደተኛታት ታንኳታት ተጠቒሞም ክሰግሩ ብምፍታኖም ሰለስተ ስደተኛታት ደሃዮም ምጥፍኡ ተገሊጹ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ዝለዓለ ቁጽሪ ዘለዎም ስደተኛታት ምስጋሮም “ተቐባልነት ዘይብሉ” ክብል ዝገለጸ መንግስቲ ዓባይ ንሪጣንያ፡ ፈረንሳ እቶም ስደተኛታት ዝገብርዎ ውሑስ ዘይኮነ ጉዕዞ ንምቁጽጻር ተወሳኺ ዕዮ ከም ዝጽበያ ሓቢሩ። መደብር ናውቲ ስፖርት ዴካትሎን “ነተን ታንኳታት ምዕዳግ ካብ ድሕሪ ሕዚ ቀሊል ኣይክኸውንን” ክብል ንኣኤፍፒ ገሊጹ። እቶም ናብ እንግሊዝ ንምብጻሕ ተስፋ ዝገብሩ ስደተኛታት ክጥቀሙለን እንተተፈቒዱ “ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ ክወድቕ’ዩ” ክብል ወሲኹ ሓቢሩ። ፈረንሳ፡ ስደተኛታት ዝገብርዎ ፈተነ ምስጋር ዶብ ንምቁጽጻር ብዝብል ኣብ ሰሜናዊ ገማገም ጥቓ ዱንኪርክ ዝነበረ መዕቖቢ ዘፍረሰት ኮይና፡ ብዙሓት ኣሰጋገርቲ ሰባት እውን ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወት ተፈሊጡ’ሎ። ስደተኛታት ብብዝሒ ምስጋሮም ንርክብ ፈረንሳን ዓባይ ብሪጣንያን ክሕርፍፍ ምግባሩ ይግለጽ። ሚንስትራት ውሽጣዊ ጉዳያት ክልትኤን ሃገራት ድማ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ንምዝርራብ ብሰኑይ ተራኺቦም ነይሮም። እቲ መትረብ (ካናል) እንግሊዝ ንስደተኛታት ዘይምችው ንምግባር ከም ዝተሰማምዑ’ውን ይግለጽ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59323466"} {"headline":"ቅልውላው ስደት ቴክሳስ፡ ቁጥዐ ዘልዓሉ ስእልታት ፈረሰኛታት ሓለውቲ ዶብ ኣመሪካ","content":"ኣብ ቴክሳስ ጥቓ ሩባ ሪዮ ግራንዴ ሓለውቲ ዶባት ኣመሪካ ኣብ ፈረስ ተወጢሖም ስደተኛታት ከጓይዩ ዘርእዩ ምስልታትን ቪድዮታትን ምስ ተዘርግሑ ኣብታ ሃገር ቁጥዐ ኣልዒሉ። ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ነዞም ዝርኣዩ ምስልታት \"ዘሰንብዱ\" ኢሉ ጸዊዑዎም። በዚ ምኽንያት መብዛሕትኦም ሃይታውያን ዝኾኑ ኣስታት 12 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ከተማ ቴክሳስ ዝኾነት ሬል ሪዮ ምስ ኣብ ሜክሲኮ ዘላ ሲዩዳድ ኣኩና ዘራኽብ ድልድል ተኣኪቦም። እዚ መርኣያ እቲ ኣብ ዶብ ኣመሪካን ሜክሲኮን ዘሎ ቅልውላው ስደተኛታት እዩ። ንኣተኣላልያ ስደተኛታት ኣመልኪቱ ድሕሪ ዝቐረበ ነቐፌታታት፡ \"ምስ ዋዒ ተዛሚዱ ክመጽኡ ብዝኽእሉ ሕማማት ጉድኣት ንከይበጽሕ ንምክልኻል፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ዓለምለኻዊ ድልድል ዴል ሪዮ ዘሎ ዝተሓዝአ ከባቢ፡ ግዝያዊ መጸበዪ ስደተኛታት ኮይኑ የገልግል ኣሎ\" ክብሉ ሰብ መዚ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘውጽኡዎ መግለጺ ሓቢሮም። መንግስቲ ኣመሪካ፡ ብሰንበት ኣማኢት ስደተኛታት ክጥርዝ እንከሎ ካልኦት ኣማኢት ሃይታውያን ናብ ሸነኽ ሜክሲኮ ንክምለሱ ንምግዳድ ንዶብ ዴል ሪዮ ዓጽዩ'ዩ። እቶም ስደተኛታት፡ ናብቲ ግዝያዊ መዕቆቢ ቅድሚ ምምላሶም ኣብቲ ድልድል ምስ ኣዕረፉ ንባዕሎምን ንስድርኦምን ዝኸውን መግብን ማይን ንምዕዳግ [ብሸነኽ ዶብ ኣመሪካ ንዘለው ሕጽረት ቀረባት ዘጋጠሞም] ናብ ሜክሲኮ ሰጊሮም። ሰኣላይ ኤኤፍፒ ፖል ራቲጅ ኣብ ጥቓ እቲ እቶም ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ ንምእታው ወይ ንምምላስ ዝሰግሩዎ ሩባ ኮይኑ ስኢሉዎም። \"ኩሉ ሰብ ይሰግር ነይሩ፤ ሃንደበት ገለ ፖሊስ ምስ መጽኡ ሰባት ከባርሩ ጀሚሮም። ድሓር ሓለውቲ እቲ ዶብ ብፈረስ መጺኦም ሰባት ክሰጉ ጀሚሮም\" ክብል ንዋሽንግተን ፖስት ተዛሪቡ። እቶም ስእልታት፡ እቶም ሓለውቲ ገለ ሻብ \"ኩርማጅ\" ተባሂሉ ዝጽዋዕ በትሪ ሒዞም ከም ዝነበሩ የርእዩ። ሰብ መዚ ግን እቶም ሓለውቲ \"ናህሪ እቲ ፈረስ ንምቁጽጻር\" ዝሕዙዎ ነዊሕ ምራን ወይ ልጓም'ዩ ክብሉ ይምጉቱ። \"እቶም ሓለውቲ ብተደጋጋሚ 'ብፍጹም፤ ኣይትኣትውን። ናብ ሜክሲኮ ተመለሱ\" ይብሉ ነይሮም። እቶም ሰባት ድማ 'ስድራይ ግን ኣብዚ'ዮም ዘለው' ክብሉ ይስምዑ ነይሮም ክብል ራቲጅ ንዋሽንግተን ፖስት ተዛሪቡ። እዚ ክሳብ እቶም ኣብ ፈረስ ዝነበሩ ኣዘዝቲ ሓደ ኣብ ሻንጣ መግቢ ሒዙ ዝነበረ ስደተኛ ዝሕዙ ቐጺሉ። ኣብ መወዳእታ ግን እቶም ስደተኛታት ነቲ ሩባ ሰጊሮም ናብቲ መዓስከር ክኣትው ክኢሎም ይብል እቲ ጸብጻብ፥ ብሓፈሻ ግን መልክኣ ምድሪ እቲ ከባቢ እቶም ዋርድያታት ፈረስ ሒዞም ክሕልው ዝምችእ ኣይኮነን። ንሳቶም፡ ስደተኛታት ናብ ሜክሲኮ ክምለሱ ኣለዎም ኢሎም ከም ዝካትዑ ጋዜጠኛ ዋሽንግተን ፖስት ይገልጽ። ብሰኑይ፡ ወሃቢት ቃል ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ጄን ፖሳኪ \"ዋላ ሓደ ነዞም ስእልታት ወይ ቪድዮታት ዝረእየ ሰብ እቲ ተግባር ቕቡል'ዩ ወይ ልክዕ'ዩ ክብል'ዩ ኢለ ኣይሓስብን\" ኢላ። ወሲኻ \"ሙሉእ ምስሊ የብለይን። በየናይ መልክዕ ትኽክል ክኸውን ከም ዝኽእል'ውን ክግምቶ ኣይኽእልን። እቶም ሓለውቲ ዶብ ክደግሙዎ የብሎም . . . ግን ክኣ እቲ ዝርኣናዮ ዘሰንብድ'ዩ\" ኢላ። ኣባል ኮንግረንስ ዴሞክራት ኢልሃን ኦማር ነቲ ኩነታት \"ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት\" ከምኡ'ውን \"ጨካን፣ ዘይሰብኣውን ሃገራውን ዓለምለኻውን ሕግታት ዝጥሓሰ\" ክትብል እያ ገሊጻቶ። ሚኒስትር ድሕነት ውሽጢ ዓዲ ኣሌጃንድሮ ማዮርካስ ብወገኑ ኩነታት እቶም ስደተኛታት \"ኣጸጋምን ልብኻ ዝሰብርን'ዩ\" ብምባል ክገልጾ እንከሎ እቲ ፍጻመ ክምርመር ምዃኑ ሓቢሩ። ይኹን'ምበር \"ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ኣመሪካ እንተመጺእኹም ክትምለሱ ኢኹም። ጉዕዞኹም ዕውት ዝኾነሉ ምክንያት የለን፤ በዚ ህይወትኩምን ህይወት ስድራኹምን ኢኹም ኣብ ሓደጋ ተእትው\" ክብል ኣጠንቂቑ። ብሰኑይ ድሕሪ ቐትሪ ቤት ጽሕፈት ድሕነት ውሽጢ ዓዲ (DHS) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ \"ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝበጽሕ ግህሰት ኣይጻወርን\" ኢሉ። \"እዚ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ስለ ዝኾነ ብቕልጡፍ ብዝካየድ መርመራ ዝርከቡ ሓቅታት መሰረት ብምግባር ዝውሰዱ ስጉምታት ስነ ምግባር ክነፍልጥ ኢና\" ብምባል ሓቢሩ። ኣዛዚ ሓለዋ ዶብ ኣመሪካ ራውል ኦርቲዝ እቲ ክስተት መርመራ ከም ዝተኻየደሉ ብምግላጽ \"ቕቡል\" ኣይነበረን ከም ዝበለ ሮይተርስ ጸብጺቡ። ወሲኹ እቶም ሓለውቲ፡ ድሕነት እቶም ዘይሕጋውያን ኣስገርቲ ሰባት ንምርካብ ዝፍትኑ ዝነበሩ ስደተኛታት ኣብ ዘጸግም ኩነታት ኮይኖም ይሰርሑ ምንባሮም ተዛሪቡ። እቲ ኩነታት ንምምሕዳር ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ዝገጥሞ ዘሎ ሓድሽ ፖለቲካውን ሰብኣውን ቅልውላው ከም ዝኾነ ዘርኢ'ዩ። ንሱ፡ ንሓተትቲ ዕቑባ ካብቲ ቅድሚ ዝነበረ ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝሓሸ \"ሰብኣዊ\" ክኸውን'የ ክብል መብጽዓ ኣትዩ ነይሩ። ሃይቲ፡ ኣብ ቀረባ ብክልተ ቅልውላው ተጠቒዓ'ያ- ቕትለት ፕሬዝደንት ጆቬኔል ሞይስን ንመብዛሕትኡ ደቡብ ምዕራብ እታ ሃገር ዝሃሰየ ራዕዲ መሬትን። መብዛሕትኦም ኣብ ዶባት ኣመሪካ ዘለው ዜጋታት እታ ሃገር ግን ቅድሚ ብዙሓት ዓመታት ብምኽንያት እቲ ህይወት 200 ሽሕ ሰባት ዝቐተለ ብ2010 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ዘጋጠመ ራዕዲ መሬት ካብ ሃገሮም ዝወፍኡ ምዃኖም ጸብጻባት ይገልጹ። ንዝተወሰነ ግዜ ኣብ ከም ብራዚልን ቺለን ዝበላ ሃገራት ደቡብ ኣመሪካ ክሰርሑ ጸኒሖም። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት 560 ስደተኛታት ናብ ሃይቲ ክምለሱ እንከለው፤ ካልኦት ኣሽሓት ኣብ መዓስከር ቴክሳስ ከም ዘለው ይግለጽ። ብሰኑይ 233 ዝተጠረዙ ዜጋታት ሃይቲ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፤ ካብዚኦም እቶም 45 ህጻናት፣ 45 ደቂ ኣንስትዮ'ዮም። ገለ ጸብጻባት ዳርጋ ኩለን እተን ዝተመልሳ ደቂ ኣንስትዮ ቖልዓ ዝሓዛ'የን ይብሉ። ብተወሳኺ ልዕሊ 6000 ደቂ ሃይቲ ናብ ካልኦት ማእከላት መስርሕ ስደት ከም ዝተሰጋገሩ ክግለጽ እንከሎ፡ እዚኦም'ውን ክጥረዙ ከም ዝክእሉ ገለ ሰብ መዚ ኣመሪካ ገሊጾም። ገሊኦም፡ ብሓለውቲ ዶብ ኣመሪካ ምስርጣይ ከም ዝበጽሖም ይዛረቡ። \"ከም ሌያቡ'ዮም ዝርእዩኻ፤ ግን ሰረቕቲ ኣይኮንናን። ዝሓሸ ህይወት እነመዓዱ ሰባት ኢና። ንዜጋታት ካልኦት ሃገራት ከምዚ ኣይትሕዙዎምን። ዓሌታውነት'ዩ\" ክትብል ሓንቲ ዜጋ ሃይቲ ንዓለምለኻዊ ማዕኸን ዜና ስፔን ዝኾነ ኢኤፍኢ ተዛሪባ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58645959"} {"headline":"ስደት፡ 1000 ስደተኛታት ብባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ብሪጣንያ ብምእታዎም ዝለዓለ ቁጽሪ ኮይኑ ተመዝጊቡ","content":"ትማሊ ሓሙስ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራይ ኣስታት 1000 ስደተኛታት ብጃልባ ናብ ዓባይ ብሪያንያ ብምእታዎም፡ እቲ ቁጽሪ ዝለዓለ ኮይኑ ተመዝጊቡ። ብተዛማዲ ባሕሪ ኢንግሊዝ ቻነል ካብ ማዕበል ሃዲኡ ስለ ዝነበረ፡ እተን ብዙሓት ስደተኛታት ጽዒነን ዝነበራ ጀላቡ ብድሓን ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ክኣትዋ ምኽኣለን ይግለጽ። ጠንቂ ክንድዚኦም ዝኣኽሉ ስደተኛታት ኣብ ሓደ መዓልቲ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ክሰግሩ ምኽኣሎም፡ ፈረንሳ ሓለዋኣ ተላሕልሕ ስለ ዘላ እዩ ተባሂሉ ትንቀፈሉ ኣላ። ኣብ ዓመተ 2021 ልዕሊ 23 ሽሕ ሰደተኛታት ካብ ፈረንሳ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ሰጊሮም ኣለዉ። ምስቲ ኣብ መላእ ዓመት 2020 ተመዝጊቡ ዝነበረ 8404 ብምንጽጻር እቲ ቁጽር ብሰለስተ ዕጽፊ ዛይዱ ኣሎ። ልዕሊ 98 ሚኢታዊት ካብቶም ካብ ፈረንሳ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ብጃልባ ዝኣትዉ ስደተኛታት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ኣተዉ'ዮም ዑቕባ ዝሓቱ። እንተኾነ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ መገሻታት ደው ምስ በለ ናይ መብዛሕትኦም እቶም ሕቶ ዑቕባ ዘቕርቡ ስደተኛታት ሕቶኦም ይንጸግ'ዩ ዘሎ። ኣብ 2019፡ 35,737 ስደተኛታት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዑቕባ ክሓቱ እንከሉ ኣብ 2020 ግን እቲ ቁጽሪ ናብ 29,815 ወሪዱ። ኣብ ቀዳሞት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናይ ዓመተ 2021 ኸኣ 14,670 ስደተኛታት ሕቶ ዑቕባ ኣቕሪቦም። መንገግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ተመሳሳሊ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደው ንምባል ሓዲሽ ወጥን ከም ዝነድፍ ብምግላጽ \"ገበትቲ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ገንበዞም ንክግሕጡ ስቅ ኢልና ሞት ሰባት ክንርኢ ኣይንክእልን ኢና\" ኢሉ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59257910"} {"headline":"ኣብ መትረብ እንግሊዝ ዘጋጠመ እቲ ዝዓበየ መቕዘፍቲ ስደተኛታት","content":"ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ገጾም ዝጐዓዙ ዝነበሩ ኣስታት 27 ሰባት ጃልባኦም ምስ ጠሓለት ኣብ መትረብ እንግሊዝ (ጥቓ ካሌይ) ከምዝሞቱ ተገሊጹ። 'ኣህጕራዊ ማሕበር ስደተኛታት' (IOM) ከም ዝበሎ፡ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ሓበሬታ ክእክብ ካብ ዝጀመረሉ እዋን ካብ 2014 ንደሓር እቲ ዝበዝሐ ህይወት ሰባት ኣብ'ቲ መትረብ ዝቐዘፈ ሓደጋ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን በቲ ሓደጋ \"ኣዝዩ ከም ዝሰንበደ\"፡ ምስኡ ከኣ ዓባይ ብሪጣንያ ነቶም ሰባት ሰሰጋግሩ ዘለዉ ጭፍራ ኣስገርቲ ንኽትሃድን ዝከኣላ ክትገብር ከም ዝዀነት ሓቢሩ። ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ጀራልድ ዳርማኒን፡ ካብ'ቶም ዝሞቱ ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮን ሓንቲ ቆልዓን ከም ዝርከብኦም ገሊጹ። ጀራልድ ዳርማኒን ወሲኹ ክልተ ሰባት ክድሕኑ ከም ዝኸኣሉን ሓደ ኸኣ ሃለዋቱ ከም ዘይተረኽበን ሓቢሩ። ኣብ ጥቓ ዶብ ቤልጅም ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ብምግላጽ፡ \"ኣብቲ ዘጋጠመ ቕዝፈት ቀጥታዊ ኢድ ከም ዝነበሮም ንጥርጥሮም ኢና\" ኢሉ። ረቡዕ ምሸት ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰንን ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮንን ኣንጻር ኣሰጋገርቲ ደቂ-ሰባት ናይ ሓባር ጻዕሪ ንከሐይሉ፡ ነቶም ሰባት ዘሰጋግሩ ዘለዉ ገበነኛታት ድማ ተወሳኺ ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ ንኸየእትዉ ደው ንከብልዎም ከም ዝተሰማምዑ ቤት ጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር (ዳውኒን-ስትሪት) ገሊጹ። ረቡዕ ድሕሪ ቀትሪ ሓንቲ ኣብቲ ከባቢ ዓሳ ትገፍፍ ዝነበረት ጃልባ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ገማግም ፈረንሳ ዝርከብ ባሕሪ ምስ ረኣየት ናይ ፈለማ መጠንቀቕታ ከም ዝለኣኸት ተፈሊጡ። ሰብ መዚ ፈረንሳን ብሪጣንያን ህይወት ሰባት ንምድሓን ብባሕርን ኣየርን ተዋፊሮም ኣለዉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ጆንሰን፡ እቲ ዝጠፍአ ህይወት ሰብ \"ህልቂት\" ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ \"እቶም ገበነኛታት ህይወት ሰብ ኣሕሊፎም ከምልጡ ኣይነፍቅድን\" ኢሉ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ነቲ ብ \"ኮብራ\" ዝፍለጥ ህጹጽ ኣኼባ ድሕሪ ምምርሑ፡ እቶም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ስራሕ ንከየዋድዱ ብዝሓሸ ኣገባብ ክንተሓሓዞም ኣሎና ኢሉ። ወሲኹ'ውን \"እዚ ፍጻሜ ንሕና ነቶም እንወስዶም ስጕምትታት ክብ ኣቢልና ዓንኬል ናይ'ዞም ገበነኛታት ክንሰብሮ ከም ዘለና'ዩ ዘርኢ'ዩ\" ኢሉ። ብተወሳኺ፡ እቲ ነዞም ብመትረብ እንግሊዝ ኣቢሎም ብንኣሽቱ ጀላቡ ሰባት ዘሰጋግሩ ዘለዉ ገበነኛታት ደው ንምባል ክሳብ ሕጂ ዝተኻየደ ስርሓት ድሩት ምንባሩ ብምእማን ንፈረንሳ ተወሳኺ ደገፍ ከወፊ ምዃኑ ገሊጹ። ዳውኒንግ-ስትሪት ከም ዝበሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ጆንሰንን ፕረዚደንት ማክሮንን ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ቤልጅምን ሆላንድን ሓቢሮም ንክሰርሑ ብምስምማዕ፡ ነቶም ስደተኛታት ቅድሚ ኣብ ገማግም ፈረንሳ ምእታዎም ንምክትታል ምስ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ምስራሕ ከም ዘድሊ ኣገንዚቦም። ዓባይ ብሪጣንያ ካብ 2021-22 ናይ 62.7 ሚልዮን ዩሮ ንፈረንሳ ሓገዝ ክትገብር ተመበባጺዓ ምንባራ ዝዝከር'ዩ። እዚ ነቲ ፈረንሳ ኣብ ገማግም ባሕሪ እትገብሮ ሓለዋ ክተሕይል፣ ዝሓሸ ናይ ኣየር ምክትታል ክትገብር፣ ኣብ ወደባት ከኣ ዘድሊ ናይ ጸጥታ ትሕተ-ቅርጺ ንኽትሃንጽ ዝዓለመ እዩ። እቲ ዜሕዝን ሓቂ እቲ ሎሚ ዝተረኽበ ሓደጋ ውዒሉ-ሓዲሩ ከም ዝፍጸም ፍሉጥ ብምንባሩ'ዩ። ኵነታት-ኣየር እናኸፍአ ይኸይድ ብምንባሩ ብዙሓት ሰባት ብለይቲ መትርብ እንግሊዝ ንክሰግሩ ክፍትኑ ምዃኖም ድሮ ተነጊሩና ነይሩ። ብዝሕን ብቕዓትን ናይተን በዚ ኣዝዩ ዕሙር ዝዀነ መተሓላለፊ መራኽብ ክሰግራ ዝፍትና ጀላቡ ናብ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ከቃልዕ ከም ዝኽእል ንጹር እዩ ነይሩ። ፖለቲከኛታት ፈረንሳን ዓባይ ብሪጣንያን ነቶም ብህይወት ሰብ ዘይግድሶም ኣሰጋገርቲ ገበኛታት ድሮ ከሲሶሞም ኣለዉ። ንክልቲኦም መንግስታት ክቐርቡ ዝግብኦም ሕቶታት ግን ኣለዉ። ፈረንሳ ብኵነታት ናይቲ ቈልዑ ኣብ ጫካን ፈቐዶ ጽርግያን ዝነብሩሉ ዘለው ኩነታት ካምቦ፤ እንግሊዝ ከኣ በቲ ንሕጋዊ ዑቝባ መሕተቲ ዜንበረቶ ጸቢብ ዕድላት ክሕተታ ይግባእ። ገለ-ገለ ሰባት ከም ዝብሉዎ፡ ዑቝባ ብግቡእ እትሓተሉ መስርሕ ምስ ዝጸብብ ሰባት ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ብባሕሪ ኣቢሎም ክኣትዉ ይግደዱ። ኣብ ዝቅጽሉ መዓልታት ኵነታት-ኣየር እናኸፍአ ክኸይድ ምዃኑ ምስ ተፈልጠ ሰባት ተቐላጢፎም ዕድሎም ክርእዩ ንዓዲ እንግሊዝ ክስግሩ ምዃኖም ርዱእ'ዩ። ፕረዚደንት ማክሮን ከም ዝበሎ፡ \"መትርብ እንግሊዝ መቓብር ሰባት ንክኸውን ፈረንሳ ኣይተፍቅድን\"። ነቶም በዚ ሓደጋ ተሓተትቲ ዝዀኑ ሰባት ክትረኽቦምን ናብ ፍርዲ ክተቕርቦምን ምዃና ኸኣ ተመባጺዑ። ብተወሳኺ፡ በዚ ጕዳይ ንምዝርራብ ህጹጽ ኣኼባ ሚኒስተራት ጸዊዑ ኣሎ። ኣብዚ ዓመት'ዚ 1,552 ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባት ኣብ ሰሜን ፈረንሳ ከም ዝተታሕዙ፡ 44 ዓንኬላት ኣሰጋገርቲ ድማ ከም ዝተሰብሩ ገሊጹ። ይዅን'ምበር፡ 47,000 ሰባት ንዓዲ እንግሊዝ ክሰግሩ ከም ዝፈተኑ፣ 7,800 ስደተኛታት ከኣ ካብ ምጥሓል ክድሕኑ ከም ዝኸኣሉ'ውን ፕረዚደንት ማክሮን ሓቢሩ። ኣብዚ ዓመት'ዚ ጥራይ ካብ 25,700 ዝበዝሑ ሰባት ብንኣሽቱ ጀላቡ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዮም ኣለዉ። እዚ ኣሃዝ'ዚ ካብቲ ብ2020 ዝኣተዉ ብሰለስተ ዕጽፊ ከም ዝበዝሕ ተፈሊጡ ኣሎ። ዶቨር ኣዝዩ ዕሙር መተሓላለፉ መራኽብ'ዩ። ብናይ ጎማ ጀላቡ ክሰግሩ ንዝፈተኑ ብዙሓት ሰባት ድማ ቐዚፉ'ዩ። ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት 10 ሰባት ክሰግሩ ህይወቶም ከም ዝሓለፈ ይፍለጥ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59412554"} {"headline":"“ሕልምታተይ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ’ዩ ዝገሃድ” ስደተኛ","content":"ሱዳናዊ ስደተኛ ሱልጣን ብፈረንሳይ ኣቢሉ ናብ ዓባይ ብራጣንያ ክሰግር ደልዩ: ድሕሪ ክንደይ ጻዕሪ ሓሳብ ልቡ ሰሚርሉ። ንሱ “ዋላ ኣብ ባሕሪ ይመውት እምበር ናብ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ምስጋር ንድሕሪት ኣይብልን” ዝብል መርገጺ እዩ ነይርዎ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59443810"} {"headline":"ኣብ መትረብ እንግሊዝ ብውሕዱ 29 ሰባት ጥሒሎም","content":"ኣብ መንጎ ፈረንሳይን ዓባይ ብሪጣንያን ኣብ ዝርከብ ባሕሪ ብውሕዱ 29 ሰባት ጥሒሎም። ካብቶም ግዳያት ሓደ ሪዝጋር ሑሴን 3 ደቁን በዓልቲ ቤቱን ስኢኑ። እንተኾነ ግን ነቲ ኩነታት ምቕባል ከቢድዎ ኣሎ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59789057"} {"headline":"ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ልዕሊ 900 ስደተኛታት ብመትረብ ናብ እንግሊዝ ሰጊሮም","content":"ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት፡ ልዕሊ 900 ስደተኛታት ጥራሕ ነኣሽቱ ጀላቡ ተጠቒሞም ንካነል (መትረብ ) እንግሊዝ ከምዝሰገሩ ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኣፍሊጡ። ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ጥራይ ብ19 ነኣሽቱ ጀላቡ ዝተጸዓኑ 559 ሰባት ኣብ ገማግም ኬንት ምስበጽሑ ክውሰዱ ከለዉ ብዓርቢ ድማ ኣብ 10 ጀላቡ ዝተሳፈሩ 358 ሰባት ተረኺቦም። ሰበስልጣን ፈረንሳ ኣብቶም ክልተ መዓልታት ብካነል እንግሊዝ ንምስጋር ክብገሱ ንዝሓሰቡ 564 ስደተኛታት ከምዝገትኡ ይገልጹ። ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 27,700 ስደተኛታት ነኣሽቱ ጀላቡ እናተጠቐሙ በቲ መትረብ ዝሰገሩ ኮይኖም፤ እዚ ብዝሒ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት [2020] ክነጻጸር ከሎ ልዕሊ ሰለሰተ ዕጽፊ ይበጽሕ። ኣብቲ ዓመት ዝሰገሩ 8,400 ስደተኛታት’ዮም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነቲ ካነል ክሰግሩ ዝፈተኑ 27 ስደተኛታት ከምዝጠሓሉ ይዝከር። በቲ ሓደጋ ድማ ሰለስተ ህጻናት፣ ሓንቲ ነብሰጾር ትርከበን ሸውዓተ ደቂኣንስትዮን 17 ደቂተባዕትዮን ከምዝሞቱ ተረጋጊጹ። ሓደ ካብ ተቖጻጸርቲ መትረብ ዝኾነ ዳን ኦማሃኒ “እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዘጋጠመ ህልቂት ነቲ ካነል ምስጋር ምፍታን ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ከምዝኾነ ዘዘኻኽረና እዩ። ብድሕሪ እዚ ገበናት [ስደተኛታት ኣብ ምስግግጋር] ዘለዉ ገበነኛታት ኣብ ቀይዲ ንምውዓል ምስ ኣውሮጳውያንን ካልኦት ዓለምለኻዊ መሻርኽትናን ብሓባር ክንሰርሕ ኢና” ኢሉ። “እቲ ዘሕዝን ግን እቶም ዝተጎጀሉ ገበነኛታት ሎሚ’ውን ካልኦት ስደተኛታት ክሰግሩ ብምግባር ነቲ ቀታሊ ዝኾነ ንግዲ ቀጺሎምሉ ኣለዉ” ክብል ተዛሪቡ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59716737"} {"headline":"ስደት፡ መግትኢ ዘይተረኸቦ ማእሰርትን ስቅያትን ኢትዮጵያውያን ኣብ ስዑዲ ዓረብ","content":"ስዑድያ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ተሰዲዶም ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ዝዋፈሩላ ሃገር እያ። ናብታ ብሃብቲ ነዳዲ ዝበልጸገት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እትርከብ ሃገር ዝተጉዓዙ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዝሓሸ ኣታዊታት ብምርካብ ህይወቶም ለዊጦም እዮም። ኣብዚ ቀረባ እዋናት ግና ናብ ስዑድያ ዘምርሑ ኢትዮጵያውያን ዝዛረብዎ ብዛዕባ ሰሪሕካ ህይወትካ ምቕያር ዘይኮነ ብዛዕባ ዝወርዶም ዘሎ ግፍዕን መከራን ኮይኑ ኣሎ። ኣብታ ሃገር ዝጸንሑ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ብመንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ናብ ማእሰርቲ ተዳጒኖም እዮም። ብድሕሪ'ዚ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ከምዝምለሱ ተገይሩ እዩ። መዓልታዊ ብርክት ዝበለ በረራታት ብምክያድ ነቶም ዜጋታት ናይ ምግዓዝ መስርሕ ብቐጻሊ እኳ እንተዘይነበረ ንኣዋርሕ ቀጺሉ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት እዚ ንኢትዮጵያውያን ካብ ስዑዲ ናይ ምግዓዝ ምንቅስቓሳት ዝሕል ዝበለ ይመስል። በዚ ድማ ኣብ ስዑድያ ዝርከቡ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣብ ጸገም ከምዘለው ክዛረቡ ጀሚሮም ኣለው። ቢቢሲ ኣብ ማእሰርቲ ንዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ንምዝራብ ዝገበሮ ጻዕሪ እኳ እንተዘይተዓወተ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ብምርካብ ብዛዕባ ኩነታቶም ሓቲቱ ኣሎ። መሓመድ* ናብ ስዑድያ ካብ ዝኣቱ ዓመታት ተቖጺሮም ኣለው። ኣብ ስዑዲ ኢትዮጵያውያን ንምንታይ ይእሰሩ ከምዘለው እዚ እዩ ክብሎ ዝኽእል ምላሽ የብሉን። \"ንምንታይ ኢትዮጵያውያን ፈሊኻ ከምዝእሰሩ ኣይንፈልጥን፤ ዘደንጹ እዩ። እቲ ጂኦ ፖለቲካ ክኸውን ይኽእል እዩ። [ኢትዮጵያውያን] ምእሳር ካብ ዝጅመር ሓይለ ገይሩ'ዩ። ንኹላትና ሕንቅል-ሕንቅሊተይ ዝኾነ ጉዳይ እዩ\" ይብል። ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዘለው ሰባት ብዝሖም ልዑል እዩ። ጸገሞም ክፍለጠሎም ከኣ ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታት መልእኽትታት ብብዝሒ የመሓላልፉ። እቲ ማእሰርቲ \"ሓድሽ ኣይኮነን\" ዝብል መሓመድ \"እቲ ሓድሽ ዝገብሮ ሰብ ይጉዳእ ምህላው እዩ\" ክብል የረድእ። ኢትዮጵያውያን ምቹእ ኣብ ዘይኮኑ ክፍልታት ከምዝእሰሩ'ውን ይጠቅስ። \"እቲ ተኣሲሮምሉ ዝርከቡ ክፍልታት ዝተጨናነቐ እዩ። ኣብ ሓደ ክፍሊ ብብዝሒ ስለዝእሰሩ ብሙቐትን ካልእን ነገራት ህይወቶም ክሳዕ ምስኣን ይበጽሑ ኣለው\" ይብል። ተቐማጢ ስዑዲ ዓረብ ሱሌማን'ውን* ካብ መንጎ'ቶም በዚ ሓሳብ ዝሰማምዑ እዩ። ኢትዮጵያውያን ይጉድኡ ብምህላዎም ህዝቢ ዓለም፣ መራኸቢ ብዙሓንን ተሰማዕነት ዘለዎም ኣካላትን ድምጾም ከስምዑሎም ከምዝግባእ ይገልጽ። \"ኣብ ማእሰርቲ ጸኒሖም እዮም። ኩሉ ሰብ ከም ዝርእዮ ዓብዩ ጸገም እዩ ዘሎ። ንመን ከም እንነግር ኣዝዩ ጨኒቑና ኣሎ። ህጻናት ይጉድኡ ኣለው። ደቂ ኣንስትዮ ይጉዳኣ ኣለዋ። ኣብ ቤትማእሰርቲ ይወልዳ ኣለዋ። ዝኽደንዎን ዝበለዕዎን የብሎምን\" ብምባል ነቲ ኩነታት የረድእ። ንተመሳሳሊ ጸገማት ዝተቓልዑ ህጻናትን ምስ ደቀን ኣብ ማእሰርቲ ዝሳቐያ ኣዴታትን ብዙሓት ምዃነን ይግለጽ። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝወለዳ፣ ድሕሪ ምውላደን ድሕሪ ሒደት መዓልታት ዝተኣሰራ ምህላወን ምንጭታት ቢቢሲ ሓቢሮም። እቶም ኢትዮጵያውያን፡ ሃገርን ህዝብን ጸገም ኣብ ዝገጠሞ እዋን ክድግፉን ከበራትዑን ንዝጸንሑ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ዜጋታት ዝተወሃበ ኣተኩሮ ትሑት ምዃኑ ይዛረቡ። \"ኣነ ዝገርመኒ ኣብዚ [ስዑዲ] ዝተኣሰረ ሰብ ትኬት ዓዲጉ ናብ ሃገሩ ክምለስ ዝኽእል እዩ። ናብ ሃገሩ ኣትዩ'ውን ንመንግስቲ ዘጸግም ኣይመስለነን፤ ኩሉ ስድራ ዘለዎ እዩ። እዚ ዜጋ ብኸመይ'ዩ ተረሲዑ? ኣብ ስዑዲ ዝነብር ዜጋ ንምንታይ'ዩ ተረሲዑ?\" ብምባል ኣብ ስዑዲ ዘለው ኢትዮጵያውያን ኪንዮ ስድራቤቶም ንግድብ ህዳሴን ካልእን ጉዳያት ከበርክቱ ከምዝጸንሑ መሓመድ ይዛረብ። 'ነዚ ብምርኣይ እዮም እቲ ትኹረት እኹል ኣይኮነን ዝብሉ' ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑድያ ዝርኩ ኢትዮጵያውያን ካብ መንግስቶም ምላሽ ከምዝጽበዩ ዝዛረብ መሓመድ \"ንመንግስቲ እዚ ሃገር ክንወቅስ ኣይንኽእልን ኢና። ክንወቅስ እንተኾይንና ንመንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ። ክሕግዙና ክንሓትት ዘሎና ንመንግስትና እዩ\" ይብል። ንሱ ቀጺሉ፡ \"ነዚ ጉዳይ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ንምንታይ ሸለል ከምዝበሎ ንኹልና ሕቶ ኮይኑና ኣሎ። እዚ ኩሉ ህዝቢ እንታይ ዓይነት ጉድኣት ይበጽሖ ከምዘሎ እናረኣየ ከመይ ጌሩ ክሳዕ ሕጂ መፍትሒ ከምዘይተረኸበሉ ክርድኣና ኣይከኣለን\" ክብል ይሓትት። እዚ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብዘይ ዝኾነ ጥፍኣት ኢትዮጵያዊ ብምኳኑ ጥራይ ተፈልዩ መጥቃዕቲ ክወርዶን ተፈልዩ ክከላበትን መንግስቲ ቅልጡፍ ምላሽ ዘይምሃቡ ዘተሓሳስብ እዩ ዝብል ሱሌማን \"ብዙሕ ሰብ ይጉዳእ ኣሎ። ስለዚ ኩሉ ድምጺ ይኹነና\" ይብል። ኣብ ስዑዲ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን እቲ ኩነታት ማእሰርቲ ኣሻቓሊ እኳ እንተኾነ ዝተዋሃቦ ትኹረት ትሑት እዩ ኪንዮ ምባል ነቶም ዜጋታት ብቕልጡፍ ምምላስ እንተዘይተኻኢሉ እቲ ሓደጋ መዓልታዊ ዝኸፍአ ከምዝኸውን የጠንቅቑ። \"መንግስቲ ኣብ ጸገም እኳ እንተሃለወ፡ ካልእ እንተተረፈ ሽማግለታት፣ ዓበይትን ህጻናትና ኣለው። ኣዴታት ኣለዋ፡ ነፍሰጾራት ኣለዋ። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ጎልጎል እየን ዝወልዳ። ንህጻናትን ንደቂ ኣንስትዮን እኳ ቀዳምነት ተዋሂቡ ገለ እንተዝግበር እናበልና ኢና ኩላትና ነእውይ ዘሎና\" ብምባል መሓመድ ጻውዒት የቕርብ። ኣብዲ'ውን* ካልእ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝነብር ኢትዮጵያዊ እዩ። መንግስቲ እታ ሃገር ልዑል ክትትል ስለዝገብር ብዙሕ ዝፈልጦ ሓበሬታታት ክህበና ከምዘይኽእል ነጊሩና። ጎድኒ ጎድኒ እቲ ዘሎ ጸገማት፡ እቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ካልእ ጸገም ከምዘለዎም ይነግር። \"ትማሊ ኣብ ማእሰርቲ [ኢትዮጵያውያን] ብብሄር ተባኢሶም ነይሮም። 180 ዝኾኑ ኣብ ሓደ ክፍሊ ነይሮም። ንሳቶም ተባኢሶም ጸገም ኣጋጢሙ ነይሩ። በዚ ምኽንያት ካብቲ ዝርከቡሉ ክፍሊ ክወጽኡ ዝሓቱ'ውን ነይሮም\" ብምባል ነቲ ካልእ ጸገም የረድእ። \"ሎሚ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ናብ ዓዶም ክኣትው እንከለው ኣብዚ ከኣ ህጻናት ልዕሊ ዓመት ተኣሲሮም ክከላበቱ ምርኣይ ኣዝዩ የቐንዙ። ስለዚ እንተተኻኢሉ መንግስቲ መፍትሒ ክህበና ንሓትት\" ይብል መሓመድ። ሱሌማን ብወገኑ \"ብርግጽ ኣብ ዓዲ [ኢትዮጵያ] ጸገም ኣሎ። እንተኾነ ግና ሰብ ምስዝጽገም ናብ ዓዱ እዩ ዝሃድም እምበር ናብ ካልእ ሃገር ኣይኮነን። ኩላትኩም ናይዚ ህዝቢ ኣውያት ንመንግስቲ ከተስምዑልና ብስም ኣላህ እሓተኩም። እቲ ኩነታት ከቢድ እዩ። ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ እዋኑ እንተዘይተመሊሶም ፈታኒ ክኸውን እዩ። ነዚ ሓደራ ክብል እደሊ። ኣዝዩ ኣዝዩ የሕዝን\" ኢሉ። ኣብዚ እዋን ፖሊስ ስዑድያ ሰባት ሒዙ ናብ ቤት ማእሰርቲ ናይ ምድጓን ስግኣት ዝጎደለ እኳ እንተመሰለ፡ ፍርሒ ግና ከም ዘለዎም እቶም ኢትዮጵያውያን ይዛረቡ። \"[ፖሊስ] ገዛ ገዛ እናዞሩ [ፍቓድ እንተሎና] ይሓቱ። ካብ 50 ክሳዕ 60 መካይን ብምሓዝ እዮም ንሓደ ከባቢ ዝወሩ፤ ሎሚ ግና የለውን\" ይብል መሓመድ። \"እዚ ግና ደው ኢሉ ኣሎ ማለት ኣይኮነን። ብፍላይ ኣብ ድኳናትን ኣብ ዝተፈላላየ ቦታታትን ፍተሻን ሕቶን ኣሎ። ወረቐት ዘይብሉ ሰብ'ሞ ምንቅስቓስ ኣይኽእልን። መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ፖሊስ መዲቡ ኣሎ። እቶም ፖሊስ ሓበሻ ስለዘለልዩ ወረቐት [ናይ ፍቓድ] ይሓቱ። እንተዘይብሉ ሒዞምዎ ይኸዱ\" ብምባል መሓመድ ነቲ ህልው ኩነታት የረድእ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ዜጋታት ብዝምልከት ምላሽ ምሃቡ ዝዝከር እዩ። ኣፈኛ እቲ ሚኒስትሪ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ከምዝሓበሮ ምስ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ዓለምለኻዊ ትካላትን ብምትሕብባር ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ክመልስ ምጽንሑ ሓቢሩ። ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ስራሕ ደው ከምዘይበለ ዝገለጸ እቲ ኣፈኛ፡ ቅሩብ ዛሕልታት ከምዝነበረ ብምጥቃስ፡ ከምቲ ናይ ቀደም ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ንዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ምድላዋት ይግበር ምህላው ኣረዲኡ። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ጸገም ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ወፍሪ ዳግማይ ከምዝጅምር ሓቢሩ። *ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ብዝተፈላለየ መገዲ ኣብ ልዕሌና ክትትል ይግበር እዩ ብዝብል ስግኣት መንነቶም ከይግለጽ ብምሕታቶም ስማቶም ተቐዪሩ እዩ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59950843"} {"headline":"ዲ.ኣር.ሲ.፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 22 ሰባት ተቐቲሎም","content":"ኣብ ምብራቃዊ ክፋል ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ [ዲ.ኣር.ሲ.] ኢቱሪ ኣብ ዝብሃል ዞበና ተፈናቐልቲ ኣብ ዝተዓቖቡሉ መዓስከር ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 22 ሰባት ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ። እቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኮደኮ [Cooperative for the Development of Congo] ተባሂሎም ዝጽውዑ ጉጅል ከምዝፈጸምዎ'ዩ ተገሊጹ ዘሎ። ሰብ መዚ ቀይሕ መስቀል ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ዕሰራ ሰባት ኣብ ክልተ ጋህሲ ብሓደ ከምዝተቐበሩን ድሒሮም ኸኣ ክልተ ብሓደ ከምዝተቐበሩ ብሓፈሻ ብውሕዱ 22 ሰባት ከምዝተቐተሉ ገሊጾም። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን ኣብ ተመሳሳሊ መዓስከር 29 ሰባት ተቐቲሎም ከምዝነበሩ ዝዝከር እዩ። ዞባታት ኢቱሪን መዳውብታ ዞባ ሰሜን ኪቩን፡ መንግስቲ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ብዕጡቃት ኮደኮን ኪዳን ዲሞክራስያዊ ሓይልታት (ADF) ንዝፍጸም ዘሎ ተደጋጋሚ ብረታዊ መጥቃዕትታት ንምቁጽጻር ካብ 7 ግንቦት ጀሚሩ ክባዊ [ክርደና] ኣዋጅ ከምዝደንገገ ይዝከር። ከም ኣካል እቲ ክባዊ ኣዋጅ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሲቪላውያን ሓለፍቲ ብወተሃደራውያን ሓለፍቲ ከምዝትክኡ እዩ ተገይሩ ዘሎ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59457424"} {"headline":"ፈረንሳ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ምስ ዓባይ ብሪጣንያ ብዕቱብ ክትዛተ ከምትደልይ ኣፍሊጣ","content":"ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ምስ ዓባይ ብሪጣንያ ክዛተይ ከምዝደሊ ኣፍሊጡ። እቲ ዘተ ልዑል ትኹረት ክወሃቦ ይግባእ'ውን ኢሉ። ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ፈረንሳይ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ እንክሰግሩ 27 ስደተኛታት ምሟቶም ስዒቡ፡ ሰብመዚ ኣውሮጳ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ እዩ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳይ ጀራርድ ዳርማኒን ነዚ ገሊፁ ዘሎ። ኣብቲ ኣኼባ ክትርከብ ዝተዓደመት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብዚ ቅነ ብሰንኪ ምስ ፈረንሳይ ኣትያቶ ዘላ ምስሕሓብ ከይተሳተፈት ተሪፋ። ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ፕሪቲ ፓቴል፡ ሃገራ ኣብቲ ኣብ ካለይ ዝተኻየደ ኣኼባ ብዘይምስታፋ \"ዘይምዕዳል\" ክትብል ገሊጻቶ። እንተኾነ ኣብዚ ሰሙን ምስ ሰብመዚ ኣውሮጳ ካልእ ህጹጽ ዘተ ንምክያድ ከምዝተለመት ኣፍሊጣ። ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ፈረንሳይ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ንዝኣተዉ ስደተኛታት መሊሳ ክትወስዶም ምፅውዑ ተኸቲሉ ፕረዝደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮ ብቴለፎን ሕርቃን ዝተሓወሶ ዘረባ ምስ ቦሪስ ጆንሰን ምስ ተዛረበ እያ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብቲ ኣኼባ ከይተሳተፈት ተሪፋ። ፕረዝደንት ማክሮን፡ ቦሪስ ጆንሰን እቲ ናይ ፃውዒት ደብዳበ ብመገዲ ትዊተር ምቅልሑ ቁምነገር ዘይብሉ ክብል ከሲሱ። መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብወገኑ፡ እቲ ደብዳበ ሓቃዊ ከምዝኾነን ፈረንሳይ ነቲ ፃውዒት ኣብ ግምት ክተአትውን ፀዊዑ። ቀዳማይ ሚኒስትር ቦሪስ ጆንሰን፡ \"እዚ ብሓባር ክንፈትሖ ዝግባእ ፀገም'ዩ\" ኢሉ። ቀዳማይ ሚኒስትር ቦሪስ ኣብቲ ናብ ፕረዝደንት ፈረንሳ ዝለኣኾ ደብዳበ ሓሙሽተ ስጉምትታት ክውሰዱ እዩ ጠሊቡ። • ካብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳይ ተወሰኽቲ ጀላቡ ከይብገሳ ንምክልኻል ሓባራዊ ሓለዋ ክካየድ • ከም ራዳር ዝኣመሰለ ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ምውፋር • ኣብ ናይ ሕድሕድና ማያዊ ግዝኣት ብሓይሊ ኣየር ዝተሰነየ ሓለዋ ምክያድ • ኣብ ጸላታት ድሕነት እተን ሃገራት ዘሎ ሓባራዊ ስራሕ ምድልዳል • ኣብ ምምላስ ስደተኛታት ምስ ፈረንሳ ክልትኣዊ ውዕሊ ምክያድን ብቐጥታ ምስራሕ ዝብሉ ስጉምትታት ጠሊቡ። ኣብቲ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ካለይ ክካየድ ዝፀወዖ ኣኼባ፡ ሃገራት ቤልጂየም፣ ፈረንሳይ፣ ኔዘርላንድ፣ ጀርመንን ኮሚሽን ኣውሮጳ ሕብረትን ተሳቲፎም። ኣብቲ ኣኼባ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ዳርማኒን ፡ ሃገሩ እዚ ቅልውላው ንምፍታሕ ምስ ዓባይ ብሪጣንያ ክትሰርሕ ከምትደልይ ተዛሪቡ። \"ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ እምበር ካብ ዓለም ኣይወፀትን። ብውሽጣዊ ፖለቲካ ብሪጣንያ ጅሆ ከይተተሓዝና ኣብዞም ሕቶታት ብዕቱብ ክንሰርሕ ይግባእ። ብዙሓት ሰባት ይሞቱ ኣለዉ። ተወሰኽቲ ሰባት ክሞቱ ክንፈቅድ የብልናን\" ኢሉ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59427300"} {"headline":"ብ'ወሊድ’ ዝፍለጥ ዘይሕጋዊ ኣስጋሪ ኤርትራዊ ተወልደ ጎይትኦም ን18 ዓመት ተፈሪዱ","content":"ብሰኑይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኣብ ሊብያ ኣሽሓት ስደተኛታት ብምስርጣይ ንዝኽሰስ ፍሉጥ ኤርትራዊ ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ ደቂ ሰባት ብናይ 18 ዓመት ማእሰርቲ ክቕጻዕ ከም ዝወሰነ ተገሊጹ ነይሩ። እዚ ወሊድ ብዝብል ቅጽል ሽም ዝፍለጥ ተወልደ ጎይትኦም ዝተብሃለ ዘይሕጋዊ ኣዘዋዋሪ ደቂ ሰባት ኣብ ልዕሊ እቲ ማእሰርቲ ክልተ ሚኢቲ ሽሕ ብር ክኸፍል'ውን ተፈሪዱ'ሎ። ካልእ ሽሻይ ጎደፋይ ደሞዝ ዝተባህለ ተሓባባሪኡ ዝኾነ ውልቀሰብ ድማ ናይ 16 ዓመትን ሽዱሽተ ወርሒን ማእሰርቲ ከምኡ'ውን 50 ሽሕ ብር መቕጻዕቲ ተፈሪዱዎ። ተወልደ ጎይትኦም ምስ ዘይሓጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ብዝሓሓዝ ብሓሙሽተ ክስታትት'ዩ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ። በዚ ውሳነ ከም ዘይዓገበት እትዛረብ ንጉዳይ ስደተኛታት ሊብያን መስርሕ ፍርዲ እቲ ተኸሳሲ ክትከታተል ዝጸንሐትን ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት ሜሮን እስቲፋኖስ፡ እዞም ገበነኛታት ገንዘብ ከፊሎም ከይወጽኡ ስግኣት ከም ዘለዋ ትገልጽ። ሜሮን እስቲፋኖስ፡ እዚ ን18 ዓመታት ተፈሪዱ ዘሎ ወሊድ ኣብ ኣውሮጳ ክስታት ተመስሪትዎ ስለዝነበረ ናብ ኣውሮጳ ተሰጋጊሩ ኣብ ኣውሮጳ ክረአ ትምኒታ ከምዝነበረ ድማ ትሕብር። \"ኩሎም ናቱ ግዳያት ኣብ ኣውሮጳ እዮም ዝርከቡ፡ ገለ ውሑዳት ኸኣ ኣብ ሊብያ ኣለዉ፡ ስለዚ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ መስርሕ ፍርዲ ምስቲ ብወሊድ ዝተፈጸመ ገበናት ብዝዳረግ ኣይተተሓዘን ዝብል እምነት እዩ ዘለኒ፡ ምስቲ ዝገበሮ ገበናት ኣገናዚብካ ኸኣ እቲ ዝተውሃበ ፍርዲ ኣዝዩ ውሑድ እዩ\" ትብል። ሜሮን: ቅድሚ ሕጂ'ውን ብተመሳሳሊ ንነዊሕ ዓመታት ዝተፈረዱ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ከምዝነበሩ ብምጥቃስ፡ ብዙሕ ከይተኣሰሩ ክወጹ ከምዝርኣዩ ብምሕባር ኣብ ናይ ወሊድ ጉዳይ'ውን ተመሳሳሊ ስግኣት ከምዘለዋ እያ ትገልጽ። ንተወልደ ጎይትኦም ኣብ ሊብያ ዝተሓባበሮ ዝነበረ ሺሻይ ጎዶፋይ ዝተብሃለ ተሓጋጋዚኡ'ውን ምስ ወሊድ ተታሒዙ ን16 ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ክፍረድ እንከሎ 50 ሽሕ ብር ክኸፍል'ውን ተበይንዎ ኣሎ። ጠበቓታት ወሊድን ሽሻይ ጎዶፋይን ኣብ ውሽጢ 60 መዓልቲ ይግባይ ናይ ምባል መሰል ኣለና ብምባል ይግባይ ክብሉ ምዃኖም እዮም ዝሕበሩ። ተወልደ ጎይትኦም ካብ 2014 ክሳብ 2018 ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ ኣብ ሊብያ 'ናብ ኣውሮጳ ከስግሮኩም እየ' ብዝብል ኤርትራውያን፤ ሱዳናውያን፤ ኢትዮጵያውያን፤ ሶማላውያንን ደቂ ካልእ ሃገራትን ስደተኛታት ዝዳጉነሉ ብሰብ ብረት ዝሕሎ መዳጎኒ ከምዝነበሮ'ዩ ዝግለጽ። ብተወሳኺ እዚ ውልቀ ሰብ ብዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ዝኽሰስ'ኳ እንተኾነ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪበን ምስክርነተን ዝሃባ ደቂ ኣንስትዮ ከምዘየለዋ ተገሊጹ። ጠበቓታት ተወልደ ጎይትኦም ነቲ ናይ ዓመጽ ክሲ ክነጽግዎ እንከለዉ፡ ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ሜሮን እስቲፋኖስ ግን ብዙሓት ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ናይዚ ውልቀ ሰብ ከምዘለዋ እያ ትገልጽ። \"ዝበዝሓ ግዳያት ናይቲ ሰብ ኣብ ኣውሮጳ እየን ዘለዋ፡ ከዕልላኻ እንከለዋ ኸኣ የስካሕካሓ'የን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ተተሓዘ ሃገራት ኣውሮጳ ናብአን ክመሓላለፍ ንኢትዮጵያ ሓቲተን እየን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ምስ ሃገራት ኣውሮጳ ገበነኛታት ናይ ምቅይያር ስምምዕ ስለዘይብሉ ኣሕሊፉ ክህቦ ኣይክኣለን\" ትብል። ተወልደ ጎይትኦም ኣብ መጋቢት 2020 ኣብ ቀይዲ ክኣቱ እንከሎ፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብ ሊብያ ስደተኛታት ዝኣስረሉ መዳጎኒ ዘለዎ ኪዳነ ዘካርያስ ዘተብሃለ ተደላዪ'ውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ነይሩ፡ እንተኾነ እዚ ሸሞንተ ዓበይቲ ክስታት ቀሪብሉ ዘሎ ገበነኛ ዝተብሃለ ውልቀሰብ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይ 2021 ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ኣብ ዝውሰደሉ ዝነበረ እዋን ካብቶም ዝዕጅብዎ ዝነበሩ ፖሊስ ሃዲሙ ክሳብ ሕጂ ኣበይ ከምዘሎ ኣይፍለጥን'ዩ። ሜሮን እስቲፋኖስ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን'ውን ምስቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ግጭት ተተሓሒዙ ብዙሓት ኣብ ትግራይ ኣብ ዝነበራ መዓስከራት ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ናብ ስደት ዘምርሑ ዘለዉ ተጋሩን ግዳይ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ይኾኑ ምህላዎም ብምጥቃስ፡ ስደተኛታት ደው ንምባል ሱር ጠንቂ ስደት ክፍለጥን መፍትሒ ክናደየሉን ከምዘለዎ ትሕብር። ካብ 2007 ጥረይ ኣስታት 30 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ናብ ምድረ በዳ ሲናይ ተወሲዶም ገንዘብ ክኸፍሉ ከምዝተገደዱን፡ ገለ'ውን ክፋል ኣካላቶም ከምዝተሸጠ ጸብጻባት ዝሕብሩ። እቲ ብዛዕባ ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ንዝተፈጸመ ገበናት ኣመልኪቱ መጽናዕቲ ዘካየደ ጉጅለ፡ ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ሲናይ ተኣሲሮም ዝነበሩ ስደተኛታት ካብ ሱዳን ተጨውዮም ዝተወሰዱ ምዃኖምን ገለ ፖሊስ ሱዳን ምስቶም ጉጅለ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ጥቡቕ ርክብ ከምዝነበሮምን እዩ ዝሕብር። እቶም ካብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ኤርትራን ተጨውዮም ናብ ሲናይ ዝተወሰዱ ግዳያት፡ ስድርኦም ብሓፈሻ ብውሕዱ 600 ሚልዮን ዶላር ነቶም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ከምዝኸፈልዎም እዩ እቲ መጽናዕቲ ዘቃልዕ። ሊብያ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት መዓመር ጋዳፊ፡ መንግስቲ ኣልቦ ስለዝኾነት እቶም ካብ ዘይርግኣት ዝኸስቡ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ከም ቀንዲ ግራቶም እዮም ክጥቀሙላ ጀሚሮም። ካብ ማእከላይን ምዕራብን ኣፍሪቃ ከምኡ'ውን ካብ ቀርንን ምብራቕን ኣፍሪቃ ዝተበገሱ ስደተኛታት ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳ ንኸኣትዉ፡ ከም ቀንዲ መሰጋገሪት ዝጥቀሙላ ሃገረ ሊብያ ኮይና። መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ሲናይ ኮይኖም ሰብ ብምጭዋይ ገንዘብ ዝግሕጡ ዝነበሩ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ኸኣ ነቑጠኦም ናብ ሊብያ ብምቕያር ተመሳሳሊ ዘይሕጋዊ ተግባራቶም ክቕጽልዎ ተራእዮም። ሊብያ ኣብ ኵናት ሕድሕድ ኣብ ዝተሸመመትሉ ሕቡራት ሃገራት ንገለ ስደተኛታት ናብ ኒጀር ብምስጋር ናብ ሳለሰይቲ ሃገር ናይ ምስጋር መስረሕ እኳ እንተኣካደ፡ ዋሕዚ ናብ ሊብኣ ዝኣትዉ ስደተኛታት ስለዘየቋረጸን ከምኡ'ውን እቶም ናብ ኒጀር ዝተወሰዱ ስደተኛታት'ውን ውሑዳት ብምዃኖም ኣብ ሊብያ ብ10ታት ኣሽሓት ዝቁጸሩ ስደተኛታት ኣብ ዝኸፈአ ኩነታት ከምዘለዉ እዩ ዝግለጽ። ካብ ሊብያ ንምንጋፍ ብንኣሽቱ ጃልባ ናብ ኣውሮጳ ንምስጋር ዝፍትኑ ስደተኛታት ብዙሕ ግዜ እዩ ናይ ምጥሓል ሓደጋታት ዘጋጥሞም፡ እቶም ዕድል ገይሮም ካብ ምጥሓል ዝደሓኑ ኸኣ ብሓለዋ ባሕሪ ተታሒዞም ናብ ሊብያ እዮም ዝምለሱ ዘለዉ። ብ23 ሚያዝያ 2021 ንኣብነት፡ ኣስታት 130 ሰባት ጽዒና ካብ ሊብያ ዝተበገሰት ናይ ፕላስቲክ ጃልባ ኣብ ዓለማዊ ማይ ጸገም ኣጋጢሙዋ። እቶም ተሳፈርቲ ናብ ሓለዋ ባሕሪ ናይ ርድኡና ሓገዝ ከምዝሓተቱ፡ እንተኾነ፡ መንግስታት ጥልያን ማልታን ሊብያን ነንሓድሕዶም ክዘራረቡ ስለዝደንጎዩ፡ እቶም ስደተኛታት ብምሉኦም ምጥሓሎም፡ ናይ ፈረንሳ ሰብኣዊ ትካል ኤስኦ ኤስ መዲተራንያን፡ ሮይተርስን ቢቢሲን ከምኡ እውን ማዕከናት ዜና ኢጣልያን ምስ ሓበራ፡ ኣዘራራቢ ዛዕባ ኮይኑ ምቕናዩ ነባሪ ከተማ ቦሎኛ ተጣባቂ ሰብኣዊ መሰላት ኣብርሃም ተስፋይ ይሕብር። ካብ ዕንጨይቲ እተሰርሐት ካልእ ጃልባ እውን 40 ዝዀኑ ስደተኛታት ሒዛ ከም ዝጠፍአት ኣፈኛ ጕጅለ ኤስ ኦ ኤስ ሜዲተራንያን ብዓርቢ ሓቢሩ። ካልኦት ሰለስተ ኣብ ጭንቂ ዝነበራ ሓገዝ ዝሓተታ ጀላቡ ቫይኪንግ ብዝስማ ናይ ድሕነት መርከብ ከምዝተሓገዛ እቲ ትካል ሓቢሩ። እታ ንዓመታት ብሓድሕዳዊ ግጭት እተኸፋፈለት ሊብያ፡ ነቶም ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝደልዩ ስደተኛታት ካብ ማንም እዋን ከፊኣቶም ከምዘላ እቶም ኣብ ጭንቂ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት ይሕብሩ። ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (ኣይ ኦ ኤም)፡ ዓመት 2021 ካብ እትጅምር ጥራሕ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 500 ስደተኛታት፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምማቶም፡ እዚ ቑጽሪ እዚ ከኣ ሰለስተ ዕጽሪ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ምዃኑ ሓቢሩ። ዓሚ 2,200 ሰባት ኣብ ባሕሪ ከም ዝሞቱ ጸብጻብ ኣይኦኤም የረድእ። ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣስታት 2000 ስደተኛታት ናብ ላምፓዱሳ ምስ ኣተው፡ እቶም ንዓመታት ንስደተኛታት ብሓልዮት ዝቕበሉ ዝነበሩ ነበርቲ እታ ደሴት፡ \" ንሕና ኣብ ጸገም እንከለና መንግስቲ ንስደተኛታት ብዙሕ ገንዘብ ከውጽእ ኣይንቕበሎን ኢና\" ክብሉ ቅሬተኦም ከምዝገለጹ ማዕከናት ዜና ሓቢረን። ነጋዶ ደቂ ሰባትን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርትን ንምእታው ናይቶም ስደተኛታት ከም ናይ ዓወት ዛንታን ዕድልን እናዘርግሑ መኽሰባቶም ንምኽዕባት ይጥቀምሉን ብማሕበራዊ መራኸቢታት ይዝርግሑዎን ከምዘለው ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተል መንእሰይ ኣብርሃም ይገልጽ። እቶም ኣብዚ ቐረባ እዋን ንላምፔዱሳ ዝኣተው ከኣ መብዛሕቶም ካብታ ብቑጠባ ተሃስያ ዘላ ቱኒዝያ ዝተበገሱ ምዃኖም የረድእ። ብዋሕዚ ስደተኛታት ዝተማረራ ሃገራት ኤውሮጳ ንመንግስቲ እታ ቀንዲ መናሃርያን መበገስን ስደተኛታት ዝኾነት ሊብያ፡ ገማግም ባሕራ ንኽትኽሉን ካብ ማያታ ንዝብገሱ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንኽትገትእን ብገንዘብን ንዋትን ገዚፍ ወፍሪ ከምዝገበሩ ኣብቲ ውዕላት እትፈረመሉ እዋን ኣካያዲት ስራሕ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤልሳ ጭሩም \"እቲ ስጉምቲ ፍትሓዊ ኣይኮነን\" ክትብል ተዛሪባ ኔራ። ኣብ ርእሲ እቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጥም ሓደጋታት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣሻሓት ዶላር ከፊሎም ካብ ማያት ሊብያ ነዊሕ ከይከዱ ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ተታሒዞም ናብ ኣብያተ ማእሰርቲ ይኣትውን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ይወድቁ ምህላዎምን መንእሰይ ኣብርሃም ይሕብር። \"ሊብያውያን ስደተኛታት ንምግታእ ምስ ኤውሮጳውያን ስለዝተወዓዓሉ ነንዝተበገሰት ጃልባ ይዓግቱን ይመልሱን ስለዘለዉ፡ አሕዋትና ስደተኛታት ንዝያዳ ማእሰርቲ ሽግርን ይቃልዑ ኣለው\" ክብል ከኣ ኣብ ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ ሽግርን መከራን ከቢድ ምዃኑ የረድእ። ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ ኣስታት 9000 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተታሒዞም ናብ ሊብያ ከም እተመልሱን ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ማእሰርቲ እታ ሃገር፡ ብተላጋቢ ሕማም፡ ብጥሜት፡ ብጭንቐት፡ ብስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ይሳቐዩ ከምዘለው ካብ እሙናት ምንጭታት ብዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ ኣብርሃም።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57509153"} {"headline":"ላምፓዱሳ፡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ደሴት ኢጣልያ ኣትዮም","content":"ማዕከናት ዜና ኢጣልያ፡ ትማሊ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰዓታት ልዕሊ 1,000 ስደተኛታት ናብ ደሴት ላምፔዱሳ ኢጣልያ ከም ዝኣተው ሓቢረን። ሓንቲ ጃልባ ጥራይ ኣስታት 400 ደቀንስትዮን ቖልዑን ሒዛ ምንባራ ማዕከን ዜና ኢጣልያ ኣንሳ ሓቢሩ። ከንቲባ እታ ደሴት ቶቶ ማርቴሎ፡ እቲ ዋሕዚ ስደተኛታት ምስ ኩነታት ኣየር ከም ዝዛመድን ክውስኽ ከም ዝኽእልን ሓቢሩ። ላምፔዱሳ እታ ቀንዲ መዓልቦ ናይቶም ናብ ኤውሮጳ ክኣትው ዝደልዩ ሰባት እያ። ኣብ ጥቓኣ ኣብ ዝርከብ ገማግም ባሕሪ ማልታ ድማ፡ ሓገዝ ዘድልዮም ስደተኛታት ናይ ርድኡና ጻውዒት ከም ዝገበሩ ተፈሊጡ። \"ሓደ ጉጅለ ምድሓን ንኣስታት 231 ሰባት ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣውጸኢዎም\" ከኣ ይብል ካብ ኣባላት ናይ ምድሓን ጉጀለ። ካብ ምጅማር ናይዛ ዓመት ድሮ ኣስታት 11,000 ስደተኛታት ኣብታ ደሴት ኣትዮም ኣለው። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ ወቕቲ 4,105 ሰባት ከም ዝኣተው ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ይኹን እምበር እዚ ቑጽሪ ካብቲ ኣብ 2015 ዝነበረ ዋሕዚ ስደተኛታት ዝወሓደ እዩ። እዚ ትማሊ ሰንበት ዝተራእየ ሃንደበታዊ ወሰኽ፡ ንፖፕሊስት ፖለቲከኛ ማትዮ ሳልቪኒ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ማርዮ ድራጊ ክዘራረበሉ ኣኼባ ሓቲቱ ኣሎ። \"ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኢጣልያውያን ኣብ ጸገም እናሃለው፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ከነአንግድ ኣይንኽእልን\" ድማ ኢሉ ። ሚስተር ሳልቪኒ፡ ኣብ ነሓሰ 2019 ልዕሊ 100 ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ናብ ላምፔዱሳ ከይትኣቱ ብዝተኸልከለት ናይ ድሕነት መርከብ ብዝተኣሳሰር ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ፍርዲ ቤት ቆጸራታት ኣለዎ። ኣብ ሲሲሊ ዝርከቡ ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ንሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ነበር ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ስደተኛታት ብምፍጻሙ ይኸሱዎ። ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ ከኣ እቲ ጉዳይ ክሳዕ 15 ዓመት ማእሰርቲ ከቕጽዕ ከም ዝኽእል ይዛረቡ። ቢቢሲ ነታ ማይግራንት\/ ፍልሰተኛ እትብል ቃል፡ ንኹሎም እቶም ሕጋዊ መስርሕ ዑቕባ ንምሕታት ኣብ መገሻ\/ ምንቅስቓስ ንዝርከቡ ሰባት ንምምልካት ከም ዝተጠቕመላ ይሕብር። እዚ ጉጅለ'ዚ፡ ካብተን ብውግእ ዝሕመሳ ዘለዋ ሃገራት ዝሃድሙ፡ ናይ ዑቕባ መሰል ክወሃቦም ዝኽእል ስደተኛታት፡ ከምኡ እውን ንዝሓሸ ስራሕን ህይወትን ዝደልዩ፡ እተን ዝኣትውወን መንግስታት ምናልባት ከም ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ክርእየኦም ዝኽእሉ ሰባት ክኾኑ ከም ዝኽእሉ የረድእ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57053411"} {"headline":"ስደት፡ ሓደ ትካል ግብረሰናይ ኣብ ገምገም ባሕሪ ሊቢያ ዝሞቱ ህጻናት ምርካቡ ገሊጹ","content":"ስጳኛዊ ትካል ግብረሰናይ ኦፕን ኣርምስ ስእሊ ኣብ ገምገም ባሕሪ ሊቢያ ናይ ዝተረኸቡ ዝሞቱ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዘርጊሑ። እቲ ትካል ገሊኦም ስእልታት ካብ ውሽጢ ሊቢያ ከም ዝረኸቦም ብምግላጽ እቶም ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ንምእታው ሓደገኛ መገዲ ማእከላይ ባሕሪ ዝጥቀሙ ዝነበሩ'ዮም ኢሉ። እቶም ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ፍርቂ ኣካሎም ብጨርቂ ተሸፊኑ ፍርቂ ኣካሎም ኣብ ሓመድ ተቐቢሩ ይርኣዩ። ኣብዚ ዓመት ኣስታት 734 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከም ዝሞቱ ይፍለጥ። ትካል ስደት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝብሎ፡ ኣብ 2021 ጥራሕ: ሞት 630 ስደተኛታት ተመዝጊቡ ኣሎ። ኣብ 2020፡ ቑጽሪ ኣብቲ ባሕሪ ዝሞቱ ሰባት 289 ምንባሩ'ውን ኣዘኻኺሩ። ሓላፊት ርክብ ህዝቢ ኦፕን ኣርምስ ላራ ላኑዛ \"ሰንቢድና ኢና። ሰባት ካብ ሊቢያ ክወጽኡ ክፍትኑ ከለው ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ክንገላትዑ የብሎምን። ህይወት እዞም ሰባት ንምድሓን ናይ ምሕላውን ምድሓንን ስራሕቲ ክስራሕ ኣለዎ\" ኢላ። ወሲኻ \"ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ መካነ መቓብር'ዩ፤ ከምዚ ግን ክኸውን ኣይምተገብአን\" ክትብል ስግኣታ ገሊጻ። መስራቲ ኦፕን ኣርምስ ኦስካር ካምፕስ ብወገኑ እቶም ሞይቶም ዝተረኸቡ ህጻናትን ኣዴታትን ንሰለስተ መዓልታት ከም ዝጸንሑ ብምግላጽ \"ናይ ምንባር ባህግን ሕልምን ነይሩዎም'ዩ\" ኢሉ። ኣብዚ ዓመት 13,000 ስደተኛታት ኢጣልያ ከም ዝኣተው ይግለጽ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከኣ ኣስታት 8,000 ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከቡዎም ስደተኛታት ካብ ሞሮኮ ናብ ስፔን ኣትዮም ነይሮም። ኣብ 2015፡ ስእሊ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝተረኸበ ወዲ ሰለስተ ዓመት ህጻን ስደተኛ ዓለምለኻዊ ቅልውላው ኣልዒሉ ምንባሩ ይዝከር። እዚ ሶርያዊ ህጻን ኣብ ቱርኪ ኣብ ሓመድ ወዲቑ ከም ዝተረኸበ ይፍለጥ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57236500"} {"headline":"30 ዓመታት ናጽነት: ኩነታት ስደት ኤርትራውያን መንእሰያት እንታይ ይመስል?","content":"ዓወት ግርማይ፡ ኤርትራ ህዝባ መሰላቱ ተኸቢሩ ብነጻነት ዝነብረላ ሃገር ክትከውን ንእስነቶም ወፍዮም ናብ ሜዳ ካብ ዝወፈሩ ወለዱ ኣብ ዓራርብ (ሰሜናዊ ሳሕል) እዩ ኣብ 1990 ተወሊዱ። ዓወት ናይ ካልኣይ ደረጃ ተማሃራይ ኣብ ዝነበረሉ፡ 'ልዕሊ ዕድመ' ብዝብል ትምህርቱ ከይወድአ እዩ ኣቋሪጹ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክፍጽም ተገዲዱ። ወተሃደራዊ ስልጠና ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ብናይ ስድራ ኩነታት ኣብቲ ስድርኡ ዝርከቡሉ ምምሕዳር እኳ እንተተመደበ፡ \"መንቀሳቐሲ ክተሕድሱ እንተኾይንኩም ወይ 50 ሽሕ ናቕፋ ኣትሕዙ ወይ ድማ ናይ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ ሰብ ዋሕስ\" ኣምጽኡ ታሂሎም ከም እተገደዱ ብምግላጽ ከም እተጸገመን ኣማራጺታት ክደልይ ከም እተገደደን ይዛረብ። \"ኣቦይ ምስ ክልተ ኣሕዋቱ ዓጽሙን ደሙን ንዝኸፈለላ ሃገር ብዋሕስ ክነብራ እንከለኩ ገንዘብ ከፊልካ ኢኻ ክትነብር እትኽእል ክበሃል ከለኹ ዝስምዓኒ ነገር መግለጺ የብሉን\" ብምባል ንስደት ከም ዝሓሸ ኣማራጺ ብምርኣይ ከቋምት ከም ዝጀመረ ገሊጹ። ዓወት ኣብ መወዳእታ 2011 ካብ ኤርትራ ብስግረ ዶብ ናብ ሱዳን ወጺኡ። ሒደት ዓመታት ኣብኡ ድሕሪ ምጽናሕ ሰሃራ ቆሪጹ ብሊብያ ኣቢሉ ማእከላይ ባሕሪ ብምስጋር ሕጂ ኣብ ጀርመን ይነብር ኣሎ። ኤርትራ ድሕሪ እቲ ን30 ዓመታት ዝጸንሐ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ 1993 መበል 183 ነጻ ሃገር ኮይና ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ተጸምቢራ። ኤርትራውያን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝዘለቐ መሪር ብረታዊ ቃልሲ ኣብ 1991 ምስ ምስዓር እቲ ንኢትዮጵያ ን17 ዓመታት ዝገዝአ ስርዓት ደርግ ናጽነቶም ተጎናጺፎም። ንናጽነቶም ወግዓውነት ንምልባስ ኣብ 1993 ኣብ ዘካየድዎ ረፈረንደም 99.9% እወ ንናጽነት ብምድማጽ ነጻ ሃገር ናይ ምዃን ሕልሞም ኣመስከሩ። ኣብቲ ዝቐጸለ ዓመታት ኤርትራ ብዝተፈላለየ መዳያት እወታዊ ምዕባለታት ብምምዝጋብ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብነታዊት ሃገር ክትኸውን ከም እትኽእል ብዙሓት ክዛረቡ ጀሚሮም ነይሮም። ኣብ እዋን ስርዓታት ሃጸይ ሃይለስላሴን መንግስቱ ሃይለማርያምን በቲ ኣብ መንጎ ንናጽነት ኤርትራ ዝቃለሱ ሓይልታትን ሰራዊት ኢትዮጵያን ብዝነበረ ኲናት፡ ዓመጽን፡ ተደጋጋሚ ድርቅን ህይወቶም ንምድሓን ዶብ ሰጊሮም ኣብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ኣዕቚቦም ዝነበሩ ስደተኛታት፡ ብጥርኑፍ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ጀሚሮም። ክሳዕ 2000 ዓ.ም ዳርጋ 98 ሽሕ ስደተኛታት ብጥርኑፍ ካብ ሱዳን ናብ ኤርትራ ከም ዝተመለሱ ጸብጻባት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት የርእይ። እንተኾነ ድሕሪ ሒደት ዓመታት ኤርትራውያን መንአሰያት ደጊሞም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ብዘይሕጋዊ መገዲ ክውሕዙ ጀሚሮም። ብፍላይ ድሕሪ ብዶብ ተሳቢቡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 1998 ዝተወልዐ ደማዊ ኲናት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት መንእሰያት ብብዝሒ ናብ ሱዳን ከምኡ'ውን ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ብምእታው፡ ድፋዓት ሰጊሮም ናብ ኢትዮጵያ ክውሕዙ ጀመሩ። ምስተን ካልኦት ሃገራት ብምንጽጻር እታ ብዝሒ ህዝባ ብተዛማዲ ውሑድ ዝኾነ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ምስተን ቀዳሞት ዓሰርተ ብብዝሒ ስደተኛታት ዘፍርያ ሃገራት ኮይና ምቕጻላ ናይ 2019 ጸብጻባ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት የርኢ። ብዝሒ ህዝቢ ኤርትር ብንጹር ዝፍለጥ እኳ እንተዘይኮነ ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ኤርትራውያን (ከባቢ 9%) ካብ ሃገሮም ከም እተሰደዱ እቲ ጸብጻብ ይነግር። ኣብ ዩኒቨርስቲ ሳውዝ ባንክ ለንደን ዳይሬክተር ማእከል መጽናዕቲ ስደተኛታት ዝኾነ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ ግና እዚ ኣሃዝ ልክዕ ናይ ዘይምዃን ተኽእሎ ከም ዘሎዎ ይገልጽ። ምኽንያት ናይዚ ድማ እቶም ስደተኛታት ብብዝሒ ስለ ዝንቀሳቐሱ ምዃኑ ይነግር። \"መብዛሕትኦም እቶም ስደተኛታት ብሱዳንን ኢትዮጵያን እዮም ዝሓልፉ። ብዙሓት ካብ'ቶም ብኢትዮጵያ ዝወጹ ደጊሞም ኣብ ሱዳን ስለ ዝምዝገቡ 'ዳግም ምቑጻር' ኣሎ\" ይብል። ወሲኹ'ውን ኣብ ዝተፈላላየ ቦታታት ክምዝገቡ ከለው ከም ሓድሽ ስለ ዝቑጸሩ፡ ሰለስተ ኣርባዕተ ጊዜ ዝምዝገቡ'ውን ከም ዘለው የብርህ። ኣብ በረኻታት ሰሃራን ሲናይን ብጽምእን ጥሜትን ከምኡ'ውን ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ኣብ ዝፍትንሉ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ህይወቶም ዝሰኣኑ ቁጽሮም ውሑድ እኳ እንተዘይኮነ ብንጹር ምፍላጥ ኣጸጋሚ ምዃኑ ፕሮፌሰር ጋይም ይሕብር። ተሓለቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ 2019 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ጉዳይ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ'ውን ቀንዲ ደፋኢ ምኽንያት ስደት ኤርትራውያን ምዃኑን መንእሰያት ብብዝሒ ናብ ኢትዮጵያ ይሰግሩ ምንባሮምን እዩ ዝሕብር። ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ'ውን ኣብቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ንምግምጋም ዝገበሮ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ ኣብ 2018 ኣብ ዝገበሮ ሴሚናር፡ እቲ ብ1994 ዝጀመረ ወፍሪ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ ኤርትራ ቀንዲ ጠንቂ ስደት ብዙሓት ኤርትራውያን ናብ ጎረባብቲ ሃገርትን ምዕራብን ከም ዝኾነ እዩ ገሊጹ። እቲ ዝዓበየ ምኽንያት ሃገራዊ ኣገልግሎት እኳ እንተኾነ \"ብሓፈሽኡ ኣብቲ ዓዲ ዘሎ ኩነታት ንኽትነብረሉ ዝዕድም ኣይኮነን። ቁጠባዊ ትሕዝቶ ናይታ ሃገር ተዳኺሙ እዩ። ኤርትራ መሰል ዜጋታታ ዘይምኽባራ ጥራይ ዘይኮነሲ እቲ ቁጠባ'ውን ዓንዩ'ዩ\" ይብል ፕሮፌሰር ጋይም። መንግስቲ ኤርትራ ግና ቀንዲ ምኽያት ምንዋሕ ገደብ ግዜ ናይቲ ብሕጊ 18 ኣዋርሕ ምዃኑ ዝተደንገገ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሖ ኩነተ ኣይኵናት ኣይሰላም ምዃኑ እኳ ክገልጽ እንተጸንሐ፡ ምስ ኢትዮጵያ ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍራሙ ድሕሪ ክልተ ዓመት'ውን ኣብቲ ጉዳይ ለውጢ ብዘይ ምግባሩ ይኽሰስ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ንጸብጻብ ፍልይቲ ልእኽቲ ዳኒኤላ ክራቨዝ ድሕሪ ምስማዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኤርትራ ኣብ መዳይ ሰብኣዊ መሰላት ምምሕያሽ ኣየርኣየትን ኢሉ። መንግስቲ ኤርትራ ግና ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ገደብ-ኣልቦ ምዃኑ፡ ብኲናት ዝተስገደደ ምዃኑ ብምምጓት፡ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ተረባሕቲ \"ዝበረኸ\" ናይ ደሞዝ ምምሕያሽ ኮይኖም ኣለዉ ድሕሪ ምባል \"ምስዚ ዘሎ ሰላም፡ ናይ ግዜ ገደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት… ናብቲ ዝግብኦ ሕጋዊ ኣዋጅ ክምለስ'ዩ\" ኢሉ። ዓወት ካብ ሃገሩ ካብ ዝወጽእ ልዕሊ 10 ዓመታት ተቖጺሩ እኳ እንተሎ ነቶም ዝናፍቖም ስድርኡን ሃገሩን ክርእይ ኣይከኣለን ዘሎ። ንሱ፡ ብዛዕባ'ታ ወላዲኡ ህይወቱ ዝኸፈለላ መዓልቲ ናጽነት ብኸመይ የብዕላ ከም ዘሎ ርእይትኡ ኣብ ዝተወከስናሉ፡ \"ናጽነት ብስማ እምበር እንታይ ምዃና ኣይንፈልጣን ኢና፤ ናጽነት ኣብዚ ኣወሮጳ ምስ መጻና ኢና ፈሊጥናዮ\" ኢሉ። ወሲኹ \"ኣነ ብህይወት ስለ ዘለኹ ክዛረብ ክኢለ ኣለኹ፤ ክነብሩ እናደለዩ ክነብሩ ዘይከኣሉ ክልተ ሰለስተ ደቂ ስውኣት ኣብ ባሕሪ ገዲፈዮም ዝመጻኹ ኣለው። ኣብ ሰሃራ ቀቢረዮም ዝመጻኹ ደቂ ስውኣት ኣለው\" ብምባል መዓልቲ ናጽነት ነቲ \"ተጨውዩና ዘሎ ናጽነትን ሓርነትን ንምምላስ እንዛተየላ መዓልቲ ክትኸውን ኣለዋ\" ይብል።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57329890"} {"headline":"ኣፍሪቃውያን ስደተኛ ሰራሕተኛታት ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ጭካነ ተፈጺምዎም - ሓደ ጸብጻብ","content":"ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝጸንሑ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣፍሪቃውያን ሰራሕተኛታት ከም ዝተጋፍዑ፡ ናብ ኣብያተ ማእሰርቲ ከም እተደርበዩን ካብታ ሃገር ከም እተባረሩን፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሓቢሮም። እቲ ብዩሮ ሜዲተራንያን ሂዩማን ራይትስ ሞኒተርን ኢምፓክት ኢንተርናሽናል ፎር ሂዩማን ራይትስ ፖሊሲን ዝተባሃሉ ትካላት ዝወጸ ጸብጻብ፡ እቶም ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ብኸመይ ብሓባር ከም እተኣሰሩን ኣብ ማእሰርቲ ግፍዕታት ከም ዝበጽሖምን ዝርዝር ሓበሬታ ሒዙ ኣሎ። ንቢቢሲ ፎከስ ኦን ኣፍሪካ ቲቪ ዝተዛረበት ኡጋንዳዊት ኬነዲ ሩባንጋኬኒ \"ናብ መደበር ፖሊስ ከየብጽሑ ብቐጥታ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትዮምና\" ኢላ። \"ንምንታይ ኣብኡ ከም ዝወሰዱኒ ስለዘይፈለጥኩ ተገሪመ. . . ሕጋዊ ወረቓቕቲ ኣሎኒ። እቲ ውዕለይ ኣብ ቀረባ እዩ ተሓዲሱ። \"ዝተኸሰስኩሉ ገበን የሎን። ናብ ቤት ፍርዲ'ውን ኣይወሰዱንን\" ኢላ። ሰብ መዚ እታ ሃገር ግና እቲ ማእሰርቲ ሕጋውን ነቶም ኣብ \"ምንዝርናን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ዝተዋፈሩ መርበባት፣ ዘይቅቡል ተግባራትን ዝምታን ዝፍጽሙ\" ዕላማ ዝገበረ ምዃኑ ብምግላጽ \"እቶም ዝተኣሰሩ ኣብዞም ተግባራት ተዋፊሮም ዝተረኽቡ እዮም\" ይብል። እቶም ነቲ ጸብጻብ ዘዳለው ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንልዕሊ 100 ግዳያት ከምዘዘራረቡ ክገልጹ እንከለው መብዛሕትኦም ካብ ኡጋንዳ፡ ካሜሩንን ናይጀርያን ምዃኖም'ውን ሓቢሮም። እቶም ግዳያት ኣብ ጽሬት፡ ምትእንጋድ፡ ነርስ፡ ኤለክትሪሻንን ካልእን ሞያታት ዝተዋፈሩ ሕጋዊ ሰነዳት ዝነበሮም ምዃኖም'ውን ገሊጹ። \"እቲ መጥቃዕትታት ግቡእ ምድላው ዝተገበረሉ፡ ንገለ ሰባት ዕላማ ዝገበረን ካብ ዓሌታዊ ኣረኣእያ ዝነቐለን እዩ\" ትብል ኣባል ዩሮ ሜዲተራንያን ሂዩማን ራይትስ ሞኒተር ሚሸላ ፓጅሊዝ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ። ንሳ ወሲኻ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝወሃብ ሓለፋታት'ውን ብዓሌት ኣፈላላይ ከም ዘለዎ ገሊጻ። መንግስቲ እታ ሃገር ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ነቲ ክስታት ከም ዘይቕበሎ ብምግላጽ እታ ሃገር ኣብ ኩሉ መዳያት ኣፈላላይ ከይህሉ ዘገድድ ጽኑዕ ሕጊ ከም ዘለዋ ኣፍሊጡ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58446089"} {"headline":"ስደት፡ ኣብ መዳጎኒ ህጻናት ኣመሪካ ዘሎ ዘሰክፍ ኩነታት","content":"ኣብ ዶብ ኣመሪካ በረኻታት ቴክሳ ኣብ ዝርከብ መዳጎኒ፡ ህጻናት ስደተኛታት ኣብ ዘሰክፍ ኩነታት ከም ዝርከቡ ቢቢሲ ብዘካየዶ መርመራ ኣረጋጊጹ። ኣብቲ መዳጎኒ ሕማም፣ ናይ መግቢ ጸገማትን ጸብጻባት ጾታዊ ዓመጽን ከም ዘለው ምስ ሰራሕተኛታትን ህጻናትን ብዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ምርግጋጽ ተኻኢሉ። ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ኣመሪካ ብዙሓት ካብ ማእከላይ ኣመሪካ ዝመጽኡ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቑባን ክተተኣናግድ ተራእዩ። ጎንጺ፣ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ስዒቦም ዝመጽኡ ቑጠባዊ ጸገማትን ገለ ምኽንያታት እቲ ልዑል ቑጽሪ ስደት ከም ዝኾኑ ሰብ ሞያ ይዛረቡ። ገሊኦም ድማ ምምሕዳር ባይደን ንስደተኛታት ዘለዎ ፖሊሲ ኣብዚ ቅልውላው ተራ ኣለዎ ይብሉ። ኣብቲ ኣብ ቴክሳስ ዝርከብ ግዝያዊ መዓስከር ስደተኛታት፡ ንብሕቶም ዶብ ኣመሪካ - ሜክሲኮ ሰጊሮም ዝመጽኡ ምስ ኣብ ኣመሪካ ዘለው ስድራቤቶም ክጽምበሩ ዝጽበዩ ህጻናት ዝተዓቖብሉ ኮይኑ፡ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ህጻናት ኣለው። ቢቢሲ ኣብቲ መዓስከር ብዘካየዶ መርመራ፡ ጾታዊ ዓመጽ፣ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ባልዓትን፣ ሕክምና ንምርካብ ሰዓታት ምጽባይ፣ ጉድለት ጽሬት ምህላዎምን ዝጠመዮ ቖልዓ ብዝግባእ ዘይበሰለ ስጋ ከም ዝቐርበሉን ተዓዚቡ። ቢቢሲ ብዛዕባ እዞም ጉዳያት ንሰራሕተኛታት እቲ መዓስከር ከዘራርብ እንከሎ፡ ናይ ስእልን ምስልን መረዳእታ'ውን በጺሑዎ'ዩ። እዚ ፎርት ብሊስ ዝተባህለ መዓስከር፡ ብውሑድ 12 ካብ ቴንዳ ዝተሰርሑ ዳሳት ኣለውዎ። ገሊኦም ኣብ ሓደ እዋን ሓደ ሚኢቲ ህጻናት ክሕዙ'ዩ ዝግበር። እቶም ህጻናት ዝበዝሕ ግዝኦም ኣብ ውሽጢ እዚ ድንኳን ዘሕልፉ ኮይኖም፡ ንሓደ ወይ ንክልተ ሰዓት ኣየር ክቕበሉ ወይ ድማ ንመግቢ ክስለፉ ጥራይ'ዮም ዝወጽኡ። ሓደ ሰራሕተኛ ንቢቢሰ ኣብ ዝሃቦ ቃል እቲ መግቢ ክብላዕ ዝኽእል'ዩ'ኳ እንተበለ፡ ኣብ ቀረባ ዝወጽአ ወዲ 15 ዓመት ቖልዓ ግን: ዘይበሰለ መግቢ ከም ዝቐርብ ገሊጹ። \"ሓሓሊፉ ደርሆ ምስ ደማ፣ ቀይሕ ዘይበሰለ ስጋ እዩ ዝቐርብ። እቲ ጥምየት ክንጻወሮ ስለ ዘይንኽእል ግን ንበልዖ፤ መሊስና ከኣ ንሓምም\" ኢሉ። ዝሓመሙ ህጻናት ዝተኣናገዱሎም ብዙሓት ድንኳናት ክስርሑ ከለው፡ እቶም ህጻናት ነቲ ቦታ 'ናይ ኮቪድ ከተማ' ኢሎም ይጽውዑዎ። ሰራሕተኛታት ብዛዕብኡ ክዛረቡ ስለ ዘይፍቀዶም ሽሙ ከይጥቀስ ዝሓተተ ሓደ ሰራሕተኛ \"ኣማኢት ህጻናት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም'ዮም\" ኢሉ። ኣብ ርእሲኡ፡ እቲ መዓስከር ኣብ ወርሒ መጋቢት ካብ ዝኽፈት ንነጀው ለበዳ ጉንፋዕን ሕማማት ጉሮሮን ከም ዝተራእየ ይግለጽ። ስለ ዝኾነ ድማ ገለ ትኹረት ዝተነፍጎም ህጻናት ቅልጡፍ ሕክምናዊ ረድኤት የድልዮም ኣሎ። እቲ ንቢቢሲ ቃሉ ዝሃበ ወዲ 15 ዓመት ህጻን፡ ን38 መዓልታት'ዩ ኣብቲ መዓስከር ጸኒሑ። ኣብኡ ምስ በጽሐ ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተለኸፈን ብጽኑዕ ሓሚሙ ከም ዝነበረን ተዛሪቡ። ምስ ሓወየ ከኣ ኣብ ዝተጨናነቐ ክፍሊ ክነብር ስለ ዝተገብረ ዳግም ከም ዝሓመመ ገሊጹ። \"መድሃኒት ክንሓቶም ክንከይድ ከለና ሕማቕ ኣጠማምታ'ዮም ዝጥምቱና፤ ይስሕቑና ከኣ\" ኢሉ። ካልእ ሰራሕተኛ እቲ መዓስከር ከኣ \"ባልዕ ተኸሲቱ'ዩ። ነዚ ዝኸውን መድሃኒት ከኣ ሕጽረት ኣሎ\" ክብል እንከሎ፡ ኣስታት 800 ደቂ ኣንስትዮ ዝነብራሉ ዝነበረ ድንኳን ብምኽንያት ቑማል ከም ዝተዓጸወ ገሊጹ። ብተወሳኺ ሕጽረት ናይ ውሽጢ ክዳን፣ ጫማን ካልኦት መሰረታዊ ነገራትን ከም ዘሎ ሰራሕተኛታት ገሊጾም። \"ዛንትኦም ክትሰምዖ ከለኻ ልብኻ'ዩ ዝሰብር፤ ብዙሕ ስቓይ ስለ ዝበጽሖም ብተደጋጋሚ'ዮም ዝጠርዑ። ሓደ ህጻን ንውሑዳት መዓልታት ምስ ጸንሐ በጃኹም ካብዚ ኣውጽኡኒ'ዩ ዝብል። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለው መሲሉ'ዩ ዝሰምዓኒ\" ክብል ሓደ ሰራሕተኛ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ነቲ መዓስከር ንምምሕዳር ናይ ውልቂ ተኾናተርቲ ዝቖጽር ቤት ጽሕፈት ጥዕናን ሰብኣዊ ኣገልግሎትን፡ ንግልጽነት ከም ዝሰርሕ'ኳ እንተገለጸ ቢቢሲ ናብቲ መዓስከር ኣትዩ ክዕዘብ ግን ኣየፍቀደሉን። እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዙርያ መዓስከር ፎርት ብሊስ ንዝቐርቡ ክስታት ብቐጥታ ምላሽ ኣይሃበን። ይኹን'ምበር \"ህጻናት ዘድልዮም ደረጅኡ ዝሓለወ ኣገልግሎት፡ ማለት ጽሩይን ምቹእን መደቀሲ ቦታታት፣ መግቢ፣ ናይ ንጽህና ቦታታት፣ መሕጸቢ ክዳን፣ ትምህርትን መናፈሲ ቦታታትን ሓዊሱ ኣገልግሎት ሕክምና ክረኽቡ ዘኽእሎም ኣገልግሎት ይህብ'የ\" ክብል ኣብ ዘውጽኢ መግለጺ ሓቢሩ። ብኣንጻሩ ኣብቲ መዓስከር ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝበጽሕ ጾታዊ ዓመጻት ከም ዘሎ'ዩ ዝግለጽ። ኣብ ሓደ ናይ ስልጠና መድረኽ ብሕቡእ ዝተቐድሐ ድምጺ ናብ ቢቢሲ ዝተላእኸ ኮይኑ፡ ሓንቲ ሰራሕተኛ \"ካብ ስነ ምግባር ወጻኢ ዝኾነ ነገር ክፍጽም ዝሓዝናዮ ሰራሕተኛ ኣሎ\" ክትብል ትስማዕ። ካልእ ሰራሕተኛ ድማ፡ ቤት ጽሕፈት ድሕነት ውሽጢ ዓዲ ኣብ ጉዳይ ዓመጽ ምስ ሰራሕተኛ እቲ መዓስከር ከም ዝተዘራረበ ገሊጻ። \"እቲ ቤት ጽሕፈት ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝነበረ ኣልዒሉ'ዩ፤ ደቂ ኣንስትዮ መርመራ ጥንሲ ክወስዳ ይገብሩ'ዮም። ኣብ ካልእ እዋን ከኣ ሓደ ሰራሕተኛ ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ክፍሊ ኣትዩ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝፈጸመ ሰሚዐ'የ\" ትብል። ብዙሓት ኣብ ፎርት ብሊስ ዝርከቡ ህጻናት ኣብ ጭንቀት ከም ዘለው ይግለጽ። \"ካብቲ ቦታ ክወጽእ እየ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን፤ ስድራይ ክርእዮም'የ ዝብል ግምት ኣይነበረንን። ሓሓሊፉ ለይቲ ለይቲ ንበኪ ነይርና። ሓደ እዋን እሞ ነብሰ ቅትለት ክፍጽም'ውን በጺሐ ነይረ\" ክብል እቲ ካብቲ መዓስከር ዝወጽአ ወዲ 15 ዓመት ህጻን ተዛሪቡ። እቶም ንቢቢሲ ቃሎም ክህቡ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ኣብቲ መዓስከር ተታሒዞም ኣለው። እቶም ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ጥዕናን ሰብኣዊ ኣገልግሎትን ኮይኖም ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት እታ ሃገር ዘለው ኣስታት 12 ሽሕ ህጻናት ዘለውሉ ኩነታት ኣይፍለጥን። ኣብዚ ዓመት ልዕሊ ሓደ ሚሊየን ስደኛታት ናብ ኣመሪካ ክኣትው ከም ዝፈተኑ ጸብጻባት የረድኡ። መብዛሕትኦም ብምኽንያት ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ ብዝተደንገጉ መምርሒታት ጥዕና ሕትኦም ክንጸግ እንከሎ፡ ምምሕዳር ባይደን ግን መብዛሕትኦም ህጻናት ክጸንሑ ፍቓድ ሂቡ። እቶም ህጻናት መብዛሕትኦም ካብ ጓቲማላ፣ ሆንዱራስን ኤል ሳቫዶርን ዝመጽኡ'ዮም። 80 ሚኢታዊት ናብ ኣመሪካ ክኣትው ዕድል ዝረኸቡ ህጻናት ምስ ስድርኦም ዝጽንበርሉ ዕድል ይረኽቡ። ይኹን'ምበር እዚ ነዊሕ እዋን ስለ ዝወስድ እቲ ምንግልታዕ ይበዝሕ።","category":"ስደት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57563848"} {"headline":"ኲናት ትግራይ ዘስዓቦ ዕንወትን ተስፋ ዳግመ ህንጸትን","content":"ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ክልል ትግራይ ዝጀመረን ናብ ጐረባብቲ ክልላት ዝተዘረገሐን ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ንኸብቅዕ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ሓደ ወርሒ ኰይኑዎ ኣሎ። ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይ ኣብ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃን ናይሮቢ ኬንያን ተራኺቦም ነቲ ስምምዕ ካብ ዝፍርሙ ንደሓር፡ እቲ ኲናት ሃዲኡ። ‘ክንዲ እቲ ዝድለ ኣይኰነን’ ዝብል ክስታት'ኳ እንተቐረበ፡ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ይኣቱ ከምዘሎን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱ ጀሚሮም ከምዘለዉን ክሕበር ጸኒሑ እዩ። ብዙሓት ኣህጉራዊ ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ፡ እቲ ብሰንኪ ኲናት ስዒቡ ዝመጽእ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዕንወት ትሕተ-ቅርጽን ኣዝዩ ልዑል እዩ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ህይወቶም ክስእኑ እንከለዉ፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ድማ ዛጊድ ተመዛቢሎም ይርከቡ። እዚ ክልተ ዓመት ዘቝጸረ ደማዊ ኲናት፡ ከምቲ ተጀሚሩ ዘሎ ብዕርቀ-ሰላም እንተተዛዚሙ፡ እቲ ዝቕጽል ዓቢ ዕማም፡ ነቲ ብኲናት ዝዓነወ ከባቢታት ዳግማይ ምህናጽ ከም ዝኸውን ይእመን። ንምዃኑ፡ እቲ ኣብ መሰረተ ልምዓት ዝወረደ ዕንወት ክሳብ ክንደይ እዩ? ዳግመ-ህንጸቱ ዝወስዶ ወጻኢታትን ግዜንከ? መንከ እዩ ተሓታቲኡ? ነዚ ኲናት ሓድሕድ ስዒቡ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብዙሓት ትሕተ-ቅርጺታት ከምዝዓነዉ፡ ኣብ ጥንታውያን ቅርስታትን ዕንወትን ዘረፋን ከምዝተራእየ ይግለጽ። ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ገለ ትካላት ምሉእ ብምሉእ ክዓንዋ እንከለዋ፡ ገለ ድማ ብኸፊል ጉድኣት ወሪዱወን። መንግስቲ ፌደራል ኣብ 2013 መቐለን ኣብ ዝተቘጻጸረሉ እዋን፡ ብግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቢሉ ንእሽተይ ዳህሳስ ናይቲ ዕንወት ኣካይዱ ነይሩ። እቲ ዳህሳስ ኣብ መቐለን ከባቢኡን'ኳ እንተተኻየደ፡ እቲ ዕንወትን ምዝማትን ግን ልዑል ምዃኑ እዩ ዘርኢ። ኣብቲ ክልል ካብ ዝዓነዋ ትካላት፡ ማእከላት ትምህርቲን ሕክምናን ፋብሪካታትን ይርከባአን። ካብቶም ዝዓነዉ፡ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት፡ ዩኒቨርስቲ ኣክሱም፡ ፋብሪካ ጨርቃጨርቂ ኣልመዳ፡ ፋብሪካ ሕክምና ዓዲግራትን ፋብሪካ 'ሼባ ቆዳና ሊጦ ' ውቕሮን ይጥቀሳ። ከምኡ'ውን እቲ ኲናት ናብ ጐረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምስ ተዘርግሐ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ትካላት ጥዕና፡ ፋብሪካታትን ካልኦት መሰረተ ልምዓትን ዓንዮም። ብመንግስቲ ክልል ኣምሓራ ዝተኻየደ ውጽኢት መጽናዕቲ፡ ኣስታት 292 ቢልዮን ብር ዝግመት ዕንወት ከምዝወረደ ይሕብር። ብቤት ጽሕፈት ኮንስትራኽሽን ትራንስፖርትን ክልል ትግራይ ዝተገበረ መጽናዕቲ እውን፡ ብዙሓት ተሽከርከርቲ ከምዝተዘረፋ ኣረጋጊጹ እዩ። ገለ ካብኣቶም ድሒሮም ምስ ሰራዊት ምክልኻል ብምትሕብባር ከምዝተመልሱ ዘርኢ እዩ። ኣባል ቦርድ-ሓደራ፡ ትካል ኢንደውመንት ትእምት፡ ኣቶ ምሉኣለም ኣስፋው፡ ኣብ ልዕሊ ፋብሪካታት ትእምት ዝወረደ ዕንወት ብሓፈሻ፡ 11 ቢልዮን ብር ከምዝግመት ይዛረብ። እቲ ኣስታት 50 ሽሕ ሰባት ብቐዋምን ግዝያውነትን ቈጺሩ፡ ኣብ ዓመት ልዕሊ 140 ሚልዮን ቅርሺ ደመዎዝ ዝኸፍል ዝነበረን ትእምት፡ ዳግም ንምህናጽ 60 ቢልዮን ብር ክሓትት ከምዝኽእል ወሲኹ ሓቢሩ። ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሰንኪ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኲናት፡ ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕ ኣብያተ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእን ብኸፊልን ከምዝዓነዋ ገሊጹ ነይሩ። ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ እቲ ኲናት ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ተመሃሮን 48 ሽሕ መምህራንን ካብ ትምህርቲ በዂሮም ከምዝተረፉ እቲ ሚኒስትሪ ኣፍሊጡ። እቲ ዝወረደ ዕንወት ኣብ ክልል ትግራይ ዘጋጠመ'ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ ብሓይልታት ትግራይ ከምዝዓነዋ'ውን እቲ ቤት ጽሕፈት ኣቃሊዑ። ብሂዩማንራይትስ ዎች ዝተሓትመ ጸብጻብ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ መዓስከራት ወተሃደራት ኰይነን ከምዝነበራን፣ ኣብ ዝወጽኡሉ እዋን ድማ፡ ኮምፒዩተራት፡ ፕላዝማን ካልኦት መሳርሒታትን ብናይ ጽዕነት መካይን ከምዘጓዓዓዙ ይኸስስ። ጕጅለ ሓካይም ዶብ-ኣልቦ ብወገኑ፡ ኣብ መፋርቕ 2013 ዓ.ም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ሰለስተ ኢድ ማእከላት ጥዕና ከምዝተዘመታን ከምዝዓነዋን ሓቢሩ። ብሰንኪ'ዚ፡ መብዛሕትአን ማእከላት ጥዕና፡ ኣገልግሎት ዘይህባ ክዀና እንከለዋ፡ ብፍላይ ህጻናትን ኣደታትን ንልዑል ሓደጋ ጥዕናን ሞትን ከምዝተቓልዓ ኣስፊሩ። ብሰንኪ እቲ ኲናት፡ ጥንታውያን ሓወልትታትን [ንመካነ መቓብር ኣኽሱም ሓዊሱ] ታሪኻዊ መስሕባትን'ውን ጉድኣት ከምዝወረዶም ጸብጻበት የመልክቱ። ንኣብነት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ጥንታዊ ገዳም ዝዀነ ደብረዳሞ ብሰራዊት ኤርትራ ብመድፍዕ ብተደጋጋሚ ከምዝተደብደበን ጉድኣት ከምዝወረዶን መጽናዕቲ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን'ቲ ክልል የመልከት። ኤርትራ ነዚ ክስታት ኣይትቕበሎን። ጥንታውያን ገዳማትን ከም ኣልነጃሺ ዝኣመሰሉ መሳጊድን ከምዝተሃስዩን ከምዝተዘመቱን፡ ካብ ጥንታውያን ገዳማት ትግራይ ዝተሰርቀ ንብረት ድማ ብመንገዲ ከም ኣማዞን ዝኣመሰሉ ዕዳጋታት መርበብ ኢንተርነት ብሕሱር ዋጋ ይሽየጥ ከምዝነበረ ይዝከር። ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሰጉን ኦባሳንጆ ሓደ ካብቶም ብስም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ሰላም ንምምጻእ ዝሰርሕ ዘሎ እዩ። ኦባሳንጆ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ሰማፎራ ኣብ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዘውጽአ ጽሑፍ፡ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ንምህናጽ 25 ቢልዮን ዶላር ከምዘድሊ ገሊጹ። ካሜሮን ሃድሰን ኣባል ስለያ ኣመሪካ [CIA] ነበርን ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕሮግራም ሲኤስኣይኤስ ኣፍሪቃን እዩ። ነቲ ኲናት ብቐረባ ክከታተል ዝጸንሐ ሃድሰን፡ እቲ ቀዳማይ ዝፍጸም ነገር 'ዶነር ኮንፈረንስ' እዩ ይብል። እዚ ዘተ እዚ፡ ዓለምለኻውያን ትካላት ረድኤት፡ ተኣኪበን ክንደይ ገንዘብ ከምዘድልየን ዝውሰነሉ መድረኽ እዩ ክኸውን። \"ነቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ዕንወት ቀንዲ ተሓታቲ መንግስቲ ፈደራል እዩ\" ዝብል እቲ ኣማኻሪ፡ ማእከላይ መንግስቲ ሓላፍነት ክወስድ ኣለዎ ዝብል ርእይቶ ኣለዎ። ክኢላ ዓለምለኸ ሕጊ ባይሳ ዋቅወያ ብወገኑ፡ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ዩጎዝላቭያ ዘጋጠመ ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ ብዛዕባ ዳግመ ህንጸት ኣመልኪቱ ርእይቶኡ ንቢቢሲ ሂቡ ኣሎ። እቲ ንሓያሎ ዓመታት ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘገልገለ ምሁር፡ ክሮኤሽያን ሰርብያን ብኲናት ሓድሕድ ዩጐዝላቭያ ብዝያዳ ከምዝተሃስያ ይገልጽ። \"እቲ ኲናት ካብ ዝውዳእ 27 ዓመታት ኰይኑ'ሎ፣ ክሳብ ሎሚ ግን ምሉእ ብምሉእ ዳግማይ ምህናጽ ኣይተኻእለን\"። ሃድሰን፡ ዓለምለኸ ትካላትን፡ ትካላት ረድኤትን ንሰሜን ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ትግራይ ዳግም ንምህናጽ ክጓየዩ እዮም ዝብል እምነት የብሉን። ንሱ፡ ባንክ ዓለምን ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ [ኣይኤምኤፍ]ን፡ ምናልባት ክልግሱ ይዀኑ'ዮም፣ እንተዀነ ካልኦት ብዙሕ ዝረባረባሉ ጉዳይ ከምዘይኰነ ስግኣቱ ይገልጽ። “ንዓበይቲ ለገስቲ፡ ዳግመ-ህንጸት ማለት ወፍሪ ማለት እዩ። ንሓንቲ ሃገርን ህዝባን ዝሓሸ መጻኢ ዝኸውን መሰረት ምንጻፍ እዩ። ካብቶም ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተሳተፉ ካብዚ ዕንወት ዝተማህረ የለን። ብሓቂ ክርአ እንከሎ ኣብ ካልኦት ዞባታት ኢትዮጵያ ናብ ተመሳሳሊ ግጭት ይኸዱ ኣለዉ።\" ባይሳ ዋቅዋያ፡ ክሮኤሽያን ሰርብያን ብገንዘብ ኣህጉራዊ ትካላት ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሓገዝ ዲያስፖራ እውን ተወሲኽዎ፡ ከም ብሓድሽ ከም ዝተሃነጻ ይዛረብ። “እቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ዓንዩ ዝነበረ መሰረተ ልምዓት ናብ ንቡር ክምለስ ክኢሉ ኣሎ። ኣብ መንጐ እቲ ማሕበረሰብ ዝተፈጥረ ቍስሊ ግን ዳግማይ ክህነጽ ኣይከኣለን።\" ሃድሰን ብወገኑ፡ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ምትእምማን ዘይምህላው ምዃኑ ጠቒሱ፡ \"ዋላ ምድንጓያት እንተሃለወ፡ 'ለውጢ የለን' ምባል ግን ፍትሓዊ ኣይኰነን\" ኢሉ። ነበርቲ ክልል ትግራይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ርእሰ ከተማ እታ ክልል ዝዀነት መቐለ፡ ዳርጋ ድሕሪ ሓደን ፈረቓን ዓመት ንፈለማ እዋን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝተረኸበት ይዛረቡ። ኢትዮ-ቴሌኮም ካብ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብተወሳኺ ኣብ ሽረ እንዳስላሴ ናይ ፈተነ ስርሓትን ኣገልግሎት ቴሌፎን ውሽጢ ዓዲን ጀሚሩ ኣሎ። ሓደ ካብቲ ሕቶታት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ኲናት ንዘመጽኦ ዕንወት፡ ንመሰረታዊ ዳግመ ህንጸት ዝኸውን ገንዘብ ካበይ ይመጻእ ዝብል እዩ። ድሕሪ እቲ ኲናት ኣብ ቁጠባ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ጸቕጢ፡ ማእከላይ መንግስቲ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተሓሲቡ ዘሎ ዳግመ ህንጸት ዝኸውን ባጀት ኣይህልዎን ዝብል ስግኣት እዩ። ልክዕ ከም ኣሜሪካዊ ተንታኒ ፖለቲካ፡ ክኢላ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝዀነ ባይሳ እውን፡ ብዛዕባ ተራ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ዳግመ ህንጸት ሕቶታት ኣለዎ። “ምዕናው ቀሊል እዩ። ነቲ ዝዓነወ ምትካእ ግን ኣብ ዝዀነት ሃገር ከቢድ'ዩ።\" እቲ ምሁር ቀንዲ መፍትሒ እዚ እዩ ይብል። \"ሰብና እቲ ዝጠፍአ ከም ዝጠፍአ ንነብሱ ኣእሚኑ፡ 'ሕሉፍ ሓሊፉ እዩ፡ ሕጂ ግና ንቕድሚት ንጠምት' ኢሉ ካብ ዜሮ ጀሚርና ክንለዓል ብዝብል መንፈስ ክሰርሕ ይግባእ።\"","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4nr8jv4016o"} {"headline":"ትሕዝቶ ሳልሳይ ዙር ዝርርብ ወከልቲ መንግስቲን ህወሓትን እንታይ'ዩ?","content":"ካብ ረቡዕ 21 ክሳብ 22 ታሕሳስ ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ ሳልሳይ ርክብ ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ትማሊ ሓሙስ ተዛዚሙ'ሎ። እቲ ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ክልቲኦም ወገናት ዝተኻየደ ዝርርብ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ ፈለማ ሕዳር ኣብ ፕሪቶርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ቀዋሚ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት፡ ንካልኣይ ግዜ ዝተገብረ'ዩ። ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ሌ\/ጀነራል ታደሰ ወረደን ኣብዚ ናይ ሕጂ ኣኼባ ከምዝተሳተፉ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓቢሩ። ብ12 ሕዳር፡ ክልቲኦም ኣዘዝቲ ንኣፈጻጽማ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዝምልከት ኣብ ናይሮቢ ድሕሪ ዘካየድዎ ፈላሚ ርክብ ናይ ሓባር ኣዋጅ ኣወጺኦም ምንባሮም ይዝከር። ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ፡ ብዛዕባ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይን ኣተገባብራኡን ዝምልከት መደብ ንኸውጽእ ዝቘመ ሓባራዊ ኮሚቴ ውጥንን ተክኒክን ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት'ውን ኣብ ከተማ ሽረ ኣኼባ ኣካይዶም ነይሮም። እዚ ናይ ትማሊ ልዝብ፡ ብመንጎኝነት ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦቦሳንጆ፡ ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ፑምዚለ ምላምቦ-ንጹካን ኡሁሩ ኬንያታን ዝርከብዎ ላዕለዋይ ፓነል ኣደራደርቲ ሕብረት ኣፍሪቃ'ዩ ተሳሊጡ። ኩሎም ተሳተፍቲ ናይቲ ልዝብ፡ ሓደ ናይ ሓባር ኣካልን፡ ጉጅለ ኪኢላታትን ብምቛም ንትግባረ ስምምዕ ሰላም ናብ ምዕራፉ ከብጽሕዎ ተሰማሚዖም። ነቲ መስርሕ ክመርሑ ዝጸንሑ ላዕለዎት ኣደራደርቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ክኸዱ ምዃኖም ኣፍሊጦም ኣሊጦም ኣለዉ። ልቲኦም ወገናት፡ ንጉዳይ ሓባራዊ ምክትታልን ምርግጋጽን ትግባረ ናይቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተበጽሐ ስምምዓት ፕሪቶርያን ናይሮቢን ብዝምልከት ኣብ ምርድዳእ በጺሖም ኣለዉ። በዚ መሰረት፡ ንትግባረ ስምምዓት ዝከታተልን ዘረጋግጽን ወከልቲ ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናትን ላዕለዋይ ፓነል ሕብረት ኣፍሪቃን ዝርከብዎ ሓባራዊ ኮሚተ ክቐውም ተሰማሚዖም። ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርባትን ስምምዓትን ዘሳልጥ ዘሎ ላዕለዋይ ፓነል ሕብረት ኣፍሪቃ (ጉጅለ ኣደራደርቲ)፡ ከምኡ'ውን ዞባዊ ወድብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኢጋድ፡ ነፍሲ ወከፎም ሓደ ወኪል ኣብቲ ተቖጻጻሪ ኮሚተ ክህልዎም'ዩ። እቲ ጉጅለ ብኣቦመንበርነት ላዕለዋይ ፓነል ሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ክኸውን እዩ። እቲ ናይ ሓባር ኣካል ዝጥቀመሉ ቅጥዒታት ኣገባባትን ብዝምልከት'ውን ተሰማሚዖም ኣለዉ። እቲ ተቖጻጻሪ ኣካል፡ ንትግባረ ስምምዓት ተኸታቲሉ ዝጎደለ ነገር እንተሎ ኣለልዩ ንምእራሙ ጸብጻብ ከቕርብ ዝቖመ'ዩ። ኪኖ ትግባረ ስምምዓት ፕሪቶርያን ናይሮቢን ምክትታትል ድማ፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ ክብጻሕ ተደልዩ ዘሎ ፖለቲካዊ ልዝብ ከተባብዕን ከሳልጥን ሓላፍነት ተዋሂብዎ'ሎ። ኣደራደርቲ ሕብረት ኣፍኢቃ ዝርከብዎ ላዕለዋይ ኣካል ድማ ነቲ ብኪኢላታት ሕብረት ኣፍሪቃን ወከልቲ ተጻባእቲ ወገናትን ንዝቐርበሉ ጸብጻባት ትግባረ ስምምዓት ተዛትዩ ፍታሕ ክረኽበሉ ትጽቢት ይግበረሉ። መስርሕ ምውራድ ዕጥቂ ሓይልታት ህወሓት ዝፍጸመሉን፡ ብዘይፍቓድ ሓደስቲ ኣጽዋር ከይሕዙን ከየዘዋውሩን፡ ከምኡ'ውን ፈንጂ ከይተኽሉን እቲ ሓባራዊ ጉጅለ ክቆጻጸር'ዩ። ህወሓት ንካልኦት መሻርኽቶም ይኹን ካልኦት ወገናት ዕጥቂ ከይህቡ ኣካል ናይቲ ሰምምዕ ምዃኑ ተገሊጹ'ሎ። እቲ ዘውረድዎ ወተሃደራዊ ዕጥቂ ኣብቲ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዘዳለዎ ቦታታት ከምዝኣተወ ብጉጅለ ኪኢለታት ክረጋገጽ'ውን ከምዝግብኦ'ውን ስምምዕ ሰነድ ናይሮቢ ይጠቅስ። ነቲ ወከልቲ መንግስቲ፡ ህወሓትን፡ ላዕለዋይ ፖነል ሕብረት ኣፍሪቃ (ኦባሳንጆ፡ ኬንያታን ምልምቦ-ንጹካን ዝርከብዎ)፡ ከምኡ'ውን ወኪል ኢጋድ ዝርከብዎ ናይ ሓባር ኮሚተ፡ ዝድግፉ ኪኢላታት ክምደቡ እዮም። ኣባላት ናይቲ ጉጅለ ኪኢላታት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ካብ 10 ዘይውሕዱ ክኾኑ'ዮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ምስቲ ናይ ኪኢላታት ጉጅለ ዝሰርሑ ሰብሞያ ክምድብ ምዃኑ'ውን ኣብቲ ናይት ትማሊ ስምምዕ ተጠቒሱ'ሎ። እቶም ኪኢላታት፡ ወተሃደራዊ ፍልጥት፡ ክእለት ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ፡ ናይ መረኻቢታትን ኣፈታትሓ ግጭታትን ተመክሮታት ዝውንኑ ክኾኑ ኣለዎም። ሕብረት ኣፍሪቃ ብዛዕባ እቶም ዝሓጸዮም ንመንግስቲን ህወሓትን ድሕሪ ምውካሱ። ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ኣብቶም ሕጹያት ዘለዎም ርእይቶ ከቕርቡ ትጽቢት ይግበረሎም። እቲ ጉጅለ፡ ንትግባረ ስምምዓት ንምርግጋጽ፡ ናብ ባይታ ብምኻድ ሓበሬታ ምእካብ ጸብጻቡ ከቕርብ'ዩ። ቀንዲ ካብቶም ስምምዓት ድማ፡ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ህወሓትን፡ ምውጻእ ናይ ወጻኢ ሃገራትን ካብ ሰራዊት ፈደራል ወጺኢ ዝኾኑ ሓይልታትን ክኸውን'ዩ። ሰራዊት ኤርትራን ሓይልልታት ጎረቤት ክልል ኣምሓራን ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ፈደራል ብምስላፍ ኣብ ክልል ትግራይ ኣትዮም ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ክዋግኡ ምጽንሖም ይፍለጥ። ብዘይካ'ዚ፡ እቲ ጉጅለ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ባንኪ፡ መብራህቲ፡ መራኸቢታትን ናብ ንቡር ምምላሶምንእ፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብቲ ክልል ምእታዉን ከረጋግጽ ሓላፍነት ተዋሂብዎ'ሎ። ነቲ ኣመንጎኦም እቶም ተጻባእቲ ዘሎ ወጥሪ ዘጎሃህር ፕሮፖጋንዳዊ ጸለመታትን ጠቐነታትን ከይህሉ'ውን እቲ ጉጅለ ክከታተል'ዩ። ነዚ ንምግባር፡ ድማ ንወተሃደራዊ ጉዳያት፡ ናይ ማዕዶ መከታተሊ ቴክኖሎጂ፡ ምክትታልን ኣፈታትሓ ምስሕሓባትን ዘወሃህዱ ዝተፈላለዩ ንኡሳት ኮሚታት ከቕውም'ዩ ጉጅለ ኪኢላታት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኮይኑ፡ ዘድልዮ ሓይሊ ሰብ፡ ቴክኖሎጂካዊ መሳርሒታትን ገንዘብን ብሕብረት ኣፍሪቃ ክወሃቦ'ዩ። ሕብረት ኣፍሪቃ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ትግባረ ስምምዓት ንምዕዛብን ቀጻሊ መደባት ንምስኣልን ላዕለዋይ ኣካል ኣደራደርቲ ሕብረት ኣፍሪቃ (ፓነል) ናብ መቐለ ከምርሕ ምዃኑ ኣነጺሩ'ሎ። ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ፡ ኣብቲ ኣብ ናይሮቢ ንጋዜጠኛታት ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ንሱ ዝርከቦ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንትግባረ ናይቲ ስምምዕ ንምርግጋጽ \"ኣብ ዝመጽእ ሒደት መዓልታት\" ናብ መቐለ ክበጽሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ድሕሪ'ቲ ስምምዓት ብ24 ሕዳር ኦባሳንጆን ምላምቦ-ንጹካን ናብ ትግራይ ብምብጻሕ ምስ መራሕቲ ህወሓት ተዘራሪቦም ምንባሮም ይዝከር። ፕረዚደንት ኬንያታ፡ ብዛዕባ ምውጻእ ሓይልታት ኤርትራ ብዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ \"ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ኩሎም ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ክልል ትግራይ ክወጹ'ዮም፡ ኣስማት ምጥቃስ ኣየድልየናን'ዩ\" ክብል ገሊጹ። \"ክልቲኦም ወገናት፡ ትግባረ ናይቲ ስምምዕ ንምክትታልን ንምቁጽጻርን ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ ምሉእ ምትሕብባር ከምዝገብሩ ኣፍሊጦም ኣለዉ\" ዝበለ ኬንያታ፡ እዚ ዝመጽእ ዘሎ ሓድሽ ዓመት፡ ንኢትዮጵያውያን ናይ ሰላም ዓመት ክኾነሎም ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ። ብዛዕባ ምብጻሕ ሰብኣዊ ረዲኤት ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ድማ፡ ብመትከል ደረጃ ክልቲኦም ወገናት ዘለዎም ተወፋይነት ከምዝገለጹ ብምጥቃስ፡ ምሉእ ተበጻሕነት ክህሉ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐን፡ ብድሆታት እንተሊዮም ንምርኣይን ንምርግጋጽን ናብ መቐለ ይኸዱ ከምዘለዉን ሓቢሩ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ce9zdj3p55qo"} {"headline":"ሓይልታት ፈደራል ቅድሚ ክልተ ዓመት ንመቐለ ኣብ ዝተቘጻጸሩሉ ዝነበረ ኵነታት","content":"\"ስእሊ ደብረጽዮን ዘለዋ መጽሔት ኣቃጺልና፣ባንዴራ ትግራይ ኣቃጺልና።\" “ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ንመካይን ‘ትራክ’ ገይረን የጥቅዓ ከምዘለዋ ስለዝተነግረና፡ ናይ ብሕቲ መካይን ብፍላይ ድማ እተን ጻዕዳ ሕብሪ ዘለወን ከይረኣያ ጭቃ፡ ቀለም፡ ሓመድ፡ ካትራመ መሳሊ ለኺና ክንሓብአን ፈቲንና።” እዚ፡ መቐለ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓይልታት ፈደራል ቅድሚ ምእታዋ ኣብኡ ዝነበሩ ነበርቲ ዝተዛረብዎ እዩ። ልክዕ ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ 19 ሕዳር 2013 [ግእዝ] ሓይልታት ፌደራል ንመቐለ ተቘጻጺሮም። እቶም ሓይልታት ፈደራል ብሓጐስ ጨዲሮም፤ ብኻልእ ወገን ተጋሩ፡ ብሓዘንን ስንባደን ተዋሒጦም። ዘይዕረቑ ስምዒታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዕለቕሊቘም። ድሕሪ ክልተ ዓመት እቲ ኵነታት ተቐይሩ እዩ። መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን እቲ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸር ህይወት ዘጥፍአ ኲናት ከብቅዕ ተሰማሚዖም ኣለዉ። እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ሓይልታት ፈደራል ንመቐለ ኣብ ዝተቘጻጸሩሉ እዋን ዝነበረ ኵነታት እንታይ ይመስል ነይሩ? ኮሎኔል ደጀኔ ፀጋየ መቐለ ብታንኪ ንምኽባብ ኣብ መወዳእታ ምዕራፍ ከምዝርከቡ ገሊጹ። ኣብ 13 ሕዳር 2013 ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ እውን፡ መራሕቲ ትግራይ ኢዶም ንኽህቡ ናይ 72 ሰዓት ገደብ ኣቐሚጡ። እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተወልዐ ኲናት ካብ ዓለም ዝተኸወለ ሓበሬታ ዘይርከበሉን ስለዝነበረ፡ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ኵነታት እንታይ ከምዝመስል ንነበርቲ እታ ከተማ ሓቲትናዮም። ኣብ መፋርቕ ሕዳር፡ መቐለ ብመዳፍዕ ክትክበብ እያ ዝብል ዜና ዝሰምዑ እኒ ጸደይ - ስማ ዝተቐየረ፡ \"ፍርሒ፡ ምድንጋር፡ ስንባደ\" ተሰሚዕዎም። ምስ ህወሓት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ከም ባንዴራ ዝበሉ ምስ መመለይ መንነት ትግራይ እውን ክተሓሓዙ ዝኽእሉ ኣሰራት ከጥፍኡ ፈቲኖም። ድንግርግር ዝበላ ኣደኣ፡ መለለይ ኣባልነት ማሕበር ልምዓት ኣቃጺላ። \"እታ ባንዴራ ናይ ህዝቢ ትግራይ እያ። ኣብ ሕገ መንግስቲ ዝተመስረተት ሕጋዊት ባንዴራ እያ። ህወሓት ናይ ባዕላ ባንዴራ ኣለዋ። ምስ ህወሓት ጥራይ ዘይኰነስ ምስ ትግራይ ዝተተሓሓዘ ኵሉ ኣቃጺልና\" ትብል። እዚ ምስቲ ነበርቲ እተን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበራ ከተማታት ትግራ ተመዛቢሎም ናብ መቐለ ክመጹ ምርኣዮም ዝተኣሳሰረ ከምዝዀነ ይገልጹ። ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ሽረ ዝተፈጸመ ግፍዒ፡ ገዛ ገዛ ተፍትሽ፡ ቅትለት፡ ዝምታን ዓመጽን ተዛሪቦም። \"ኣብ ከባቢ ሽረ ገዛ ገዛ ከምዝፍትሹ፡ መንእሰያት ከምዝቐትሉ፡ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝዕምጹ ሓቢሮምና። ስለዚ ዝዀነ ነገር ከይረኽቡልና ኢና ንዳሎ ነይርና\" ትብል ጸደይ። ስለዚ ጸደይ ዝከኣሎም ኣቃጺሎም፡ \"እቲ ዘይከኣልናዮ ድማ ሓቢእናዮ\" ትብል። ነዚ ጸብጻብ ዘዘራረብናዮም ነበርቲ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓበሬታ፡ ነቲ ቃልሲ ዝድግፍ ጽሑፋት ፈይስቡክን ኢንስታግራምን ከም ዝደምሰሱ ሓቢሮምና። ጸደይ፡ \"መቐለ ክኣትዉ እዮም ዝብል እምነት ኣይነበረንን። ዘይምእማን፡ ​​ፍርሒ፡ ስንባደ፡ እቲ ኣመራርሓ ባዕሉ ኣበይ ከምዝነበረ ኣይፍለጥን። ምድንጋር ዝመልኦ ግዜ እዩ ነይሩ\" ትብል። እቲ ኲናት ክጅመር እንከሎ ጸደይ፡ ምሸት ምስ መሓዙታ እናተዘናግዐት እያ ነይራ። ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ ሓደ መዓልቲ፡ ኵሉ ሰላም እዩ ኢላ ነታ ክትወልድ ዝቐረበት ነፍሰጾር መሓዛኣ “ቤቢ ሻወር” ደጊሳ እቲ ዕሸል ብሰላም ክወልድ ተመንየን። “ህይወት ኵሉ ሰብ ሃንደበት ዝቕየር ኣይመስልን” ትብል። ድሕሪ ሰዓታት፡ ተሌፎን፡ ኢንተርነትን ኤለክትሪክን ተቛሪጹ። ባንክ እውን ተዓጽዩ። \"ንጽባሒቱ ንገዛእ ርእስና ካብ ዓለም ተፈሊና ረኺብናዮ።\" ኣብቲ እዋን ኣተሓባባሪ ሚድያ ግንባር ኲናት ዝነበሩ ኮሎኔል ደጀነ ጸጋየ፡ \"ንመቐለ ብታንክታት ምኽባብ ኣብ እንኽእለሉ መድረኽ ኢና ዘለና\" ክብል ኣብ ተሌቪዥን ኢትዮጵያ ገሊጹ። \"ህዝቢ መቐለ ንገዛእ ርእሱ ካብ መጥቃዕቲ ከቢድ ኣጽዋር ከድሕን ጻውዒት ዝቐርበሉ እዋን እዩ። ንነብስኻ ኣውጽእ” ብምባል ነበርቲ ካብ ሓይልታት ትግራይ ክፍለዩ መምርሒ ዝወሃበሉ ግዜ በጺሑ ተዛሪቡ። ወሲኹ’ውን \"ድሕሪኡ ምሕረት የለን\" ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። እቲ ኮለኔል፡ ክሳብ ሕጂ ብጥንቃቐ ምምራጽን ምጥቃዕን ዝተመርኮሰ ውግእ ከምዝነበረ'ኳ እንተገለጸ፡ ኣብ መቐለ ግን ከምኡ ከይከውን ከምዝኽእል ሓቢሩ እዩ። ካብ ምጅማር እቲ ኲናት ኣትሒዙ ኵሉ ዝርዝር ፍጻመታት ዝሕዝ ዝነበረ ዓንዶም ገብረየሱስ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ 72 ሰዓታት ግዜ ገደብ ኣብ ዘቐመጠሉ መዓልቲ፡ ኣብታ ከተማ ብዙሓት ጉዳያት ከምዝተፈጸሙ ይዛረብ። መጀመሪያ እቲ ን24 ሰዓታት ኣገልግሎት ዝህብ ተሌቪዥን ድምጺ ወያነ ተቛሪጹ። እቲ ድሕሪ ምጅማር ኲናት ተኣጊዱ ዝነበረ መሸጣ ነዳዲ ተፈቒዱ። ዋላ'ኳ ወግዓዊ ሓበሬታ እንተዘይተዘርግሐ፡ መራሕቲ ትግራይ ኣብታ መዓልቲ ናብ ቆላ ተምቤን ከምዝኸዱ ገለ ውሽጣውያን ሰባት ከምዝሓበርዎ ይገልጽ። መራሕቲ ትግራይን ተጋደልቲን፡ ሓይልታት ፈደራል ናብ መቐለ ቅድሚ ምእታዉ ከም ዝወጹ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር። ናይ ብሕቲ መካይን ብፍላይ ድማ ጸዓዱ፡ ቀለም ወይ ጭቃ ተቐቢለን። ዓንዶም ምስ ኣዕሩኽቱ ኰይኑ ኣብ ልዕሊ እታ ኮሮላ መኪናኡ ካትራመ ኣፍሲሱ ሓመድ ነስኒሱላ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ 17 ሕዳር 2013 እቲ ግዜ ገደብ ተዛዚሙ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ሰራዊት ምክልኻል ነቲ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ከካይድ ከም ዝተኣዘዘ ኣፍሊጡ። ኣብ መቐለ ሃይማኖታዊ ትካላት፡ መሳጊድን ኣብያተ ክርስቲያናትን ጥርሐን ተሪፈን። እታ ከተማ ብቐጻሊ ብመዳፍዕን ከበድቲ ኣጽዋርን፡ ከምኡ’ውን መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከም ዝተደብደበት ዓንዶም ይዝክር። ብዙሓት ነበርቲ መቐለ ኣብ ትሕቲ ህንጻታት ኣብ ትሕቲ መሬት ተሓቢኦም። ኣርብዓ ወይ ሓምሳ ኰይኖም ናብ ትሕቲ ዘይተወድኡ ህንጻታት ክኣትዉ ጀሚሮም። \"ኣደታት ደቀን ዝሓብኣሉ ጠፊኡወን\" ትብል ጸደይ። እቲ መጥቃዕቲ መዳፍዕ ዕረፍቲ ከምዘይነበሮ ኣብቲ እዋን ኣብ መቐለ ዝነብር ዝነበረ ሓኪም ሃብቶም (ስሙ ዝተቐየረ) ይዝክር። “ዘሰንብድ እዩ፣ ዘፍርሕ፣ ዘርዕድ እታ ከተማ ትናወጽ ነይራ። ገለ ነገር ክቃጸል ንርኢ። \"ኵሉ ሰብ ብህይወት ከምዝሓድር ርግጸኛ ኣይነበረን\" ይብል። እቲ ስርሑ ዘየቋረጸ በዓል ሞያ ሕክምና፡ ኣብ ዓይደር ሆስፒታል ብዙሓት ዝቘሰሉን ዝሞቱን ሰባት ከምዝተቐበለ ይገልጽ። ኣብታ ከተማ ዝተሓብኡ ከምዘለዉ ዀይኑ፡ ብዙሓት ናብ ገጠር ክውሕዙ ጀሚሮም። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ግን፡ ሓንቲ መባእታ ቤት ትምህርቲ ብመዳፍዕ ምስ ተሃርመት፡ ጸደይ ምስ ኣደኣን ንእሽቶ ሓዋን፡ “ቀጺሉ ንሕና ኢና ንድብደብ” ኢሎም ብስንባደ ናብታ ካብ መቐለ ሒደት ኪሎሜተራት ርሒቓ እትርከብ ደብሪ ተበጊሶም። ገለ መድሃኒታት፡ መሸፈኒ ቍስሊን ጸረ-ነፍሳትን ሒዞም ከይዶም። እታ ኣብ ገዛ ዝነበረት ዝሓዝዋ 700 ቅርሺ፡ ክሳብ መዓስ ከም ዝጸንሑን ክሳብ መዓስ ከም ዘጽንሖምን ኣይፈልጡን። ህጻናት፡ ነፍሰጾራት፡ ኣረጋውያን፡ ነበርቲ ናብ ተምቤን፡ ገርዓልታ፡ ግጀት ኣምርሑ። ጸደይ፡ ኣብ ደብሪ ዝረኣየታ ንእሽቶ ናይ ገጠር ድኳን ክሳብ ሕጂ ኣይትርስዓን። ልዕሊ ሚእቲ ሰባት ተሰሪዖም ነይሮም። እታ ድኳን ግን ነቶም ኣብ መስርዕ ዝነበሩ ሰባት ዝኣክል ኣቝሑት ኣይነበራን። ኣብታ ንእሽቶ ገጠር ከተማ ምስ በጽሑ፡ እታ ክልተ ጸበብቲ ክፍልታት ዘለዎ ናይ ገጠር ገዛ መሊኣ ነይራ። ብዙሓት ኣብ መሬት ደቂሶም፤ እኒ ጸደይ ኣብ ኩርናዕ ኣብ መሬት ቦታ ሒዞም። ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ይበልዑ ነይሮም፤ እቶም ነበርቲ እቲ ከባቢ ገሊኦም እንጀራ፡ ገሊኦም ድማ ሽሮ የምጽኡሎም። ምቹእነት ፈጺሙ ዘይሕሰብ እዩ። \"ክንደይ ግዜ ኣብ ከምኡ ኵነታት ክንጸንሕ ምዃንና ዘይምፍላጥና ዘፍርሕ እዩ ነይሩ\" ትብል ጸደይ። ኣብ መጀመርታ ኣበይ ከድሕኑ ከምዝኽእሉ ኣይተሰማምዑን። ኣኮኣ፡ ነቲ ወዲ 15 ዓመትን ንእሽቶ ሓዎምን ሒዙ ይሓይሽ ናብ ዝበሎ ተምቤን እዩ ከይዱ። መራሕቲ ትግራይ ኣብቲ እዋን ኣብ ቆላ ተምቤን ስለዝነበሩ፡ ብኸቢድ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ እዩ ተቐቢልዎም። ብዛዕባ ድሕነቶም ሓበሬታ ዘይምርካብ ንባዕሉ ካልእ ሕማም ከምዝነበረ ጸደይ ትገልጽ። ከባቢ በዓል ዓንዶም መዕቆቢ ዲያስፖራ ኰይኑ፡ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ቀረባ ስለዝዀነ፡ ድምጺ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ምስማዕ ልሙድ ነይሩ። ዓንዶም እውን መቐለ ብኸቢድ መዳፍዕን መጥቃዕቲ ነፈርትን ምስ ተናወጸት ምስ ስድራኡ ካብ መቐለ ክወጽእ ወሲኑ። \"ደቀይ ደብዳብ ነፋሪት ክሰምዑ እንከለዉ ይበኽዩ ነይሮም\" ይብል። መዓልታዊ ዝተደብደቡ ከባቢታት ይሰምዑ ነበሩ። 05 ቀበሌ፡ መናሃርያ፡ ላጪ፡ ሃጸይ ዮሃንስ፡ ቀበሌ 14፡ ትካላት፡ ሆቴላትን ካልኦትን . . . ሰባት ሞይቶም ወይ ተጐዲኦም ዝብል መዓልታዊ ዜና ኰይኑ። ኣብቲ እዋን ኣብ መቐለ ዝነበረ ክኢላ ሕክምናን ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካብ ትግራይ ዝተወሃበ ጸረ-መጥቃዕቲ ተዅሲ ከምዘይነበረ ዕላዊ ገይሮም እዮም። ኣብቲ እዋን እቲ ሰራዊት ኣብታ ከተማ ኣይነበረን። ከም ቱር ኦፕሬተር ኰይኑ ዝሰርሕ ዓንዶም፡ ኣስታት ሓምሳ ካብ ቴንዳታቱ ንጐረባብቱን ፈተውቱን ኣከፋፊሉ ናብ ግጀት ኣቕኒዑ። ኣብ ጽርግያ፡ እቲ ህዝቢ ብእግሪ፡ ብሚኒባስ፡ ዋላ ብናይ ጽዕነት መካይን ናብተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ገጠር ከተማታት ይግዕዝ ነይሩ። ነበርቲ ግጀት ካብ መቐለ ዝመጸ ሰብ ኣይመስሉን። ኵሉ ኣብ ገዛ ይዅን ኣብ ደገ ዝከኣሎ እዩ ዝገብር። ኣብ ግጀት ዝፈልጥዎ ሰብ ስለዘይነበረ ኣብ ገዛ እንዳ ሓደ ሰብ ኣትዮም። እቲ ገዛ ግን ኣዝዩ መሊኡ ነይሩ። ይዅን እምበር እቲ ዋና ኣይመለሶምን፣ ኣብ ክንድኡስ ኣብ ሓደ ኩርናዕ መረባ ክዕቈቡ ከም ዝኽእሉ ነጊርዎም። ግን ኣብኡ ክጸንሑ ስለዘይከኣሉ ናብ መቐለ ተመሊሶም። ካብ መቐለ ድማ ገዛኦም ዓጽዮም ክልተ ፍርናሽ፡ መቀያየሪ ክዳን፡ ንህጻናት ዝኸውን ፓስታ፡ ማኮረኒ፡ ኢንዶሚን ሽኮርን ሒዞም ናብ ገርዓልታ ከይዶም። ሓረስቶት ዘራእቶም ንምእካብ ይጓየዩ። ዘራእቶም ዝተቓጸለ ሓረስቶት እውን ነይሮም። ሓይልታት ትግራይ ናብ ተምቤን ኣብ ዝወስድ ኣልዓሳ ዝበሃል ከባቢ ነይሮም። ሰራዊት ትግራይ ናብ ተምቤን ክውሰድ ዝነበሮ ከባቢ ኣላሳ ዓሪዱ። ኣብኡ ድማ ብርቱዕ ውግእ ቀጺሉ። ድምጺ ፍንጀራ ይስማዕ ነይሩ። “ዓቢ እምባ ኣሎ። ሓዊ ካብቲ እምባ ሓሊፉ ይረአ። ብወገን ተምቤን እውን ዝተቓጸለ ነገራት ይርአ። እምባ ዝቃጸል ዘሎ ይመስል። እቶም ደቀይ ንሰለስተ መዓልቲ ኣይደቀሱን። ንሓሙሽተ መዓልታት ኣብ በዓቲ ጸኒሕና\" ይብል። ሓረስቶትን ነበርትን እቲ ከባቢ እንስሳታቶም ሒዞም ህይወቶም ከድሕኑ ናብ በዓቲ ገርዓልታ ኣትዮም። ኣብ እዋን ወራር ኢጣልያ፡ ነበርቲ ካብ ደብዳብ ነፈርቲ ሃዲሞም ዝተሓብኡሉ በዓቲ ምዃኑ እቶም ዓበይቲ ዓዲ ገሊጾምሎም። ማይ ንምርካብ ክሳብ ክልተ ሰዓት ይወስድ። “ጽሩይ ማይ ዝበሃል የለን፤ \"እንተተረኺቡ ዝተዘረገ'ዩ\" ይብል። በብመዓልቱ ቅጫ እናሰንከቱ፡ ቈሎን ዕፉንን እናጠበሱን ይበልዑ። ድሕሪ ናይ መዓልታት ውግእ ድማ እቲ ኣብ ኣልዓሳ ዝነበረ ሰራዊት ትግራይ ካብቲ ከባቢ ምስ ወጸ እቲ ውግእ ሃዲኡ። ነበርቲ’ውን ናብ ገዛኦም ተመሊሶም። “ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ፡ እቲ ዝኸድናዮ ግዜ ጽቡቕ ነይሩ። ፍርያት ነይርዎ። እቶም ሓረስቶት ዓቂቦምና” ክብል ገሊጹ። ኣብኡ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ጸኒሖም እዮም። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ወተሃደራት ከም ዝኣተዉ ምስ ሰምዑ ናብ መቐለ ክምለሱ ወሲኖም። ካብ ደብሪ ምስተመልሱ እቲ ተዅሲ ደው ስለ ዘይበለ፡ ገዛ ሓፍታ ክልተ ደርብን ስለዘለዎ ድሕነትና ክሕሎ ብዝብል ናብ እንዳ ሓፍታ ከይዶም። ወተሃደራት ብጕጅለ ዓሰርተ ወይ ዕስራ ይንቀሳቐሱ። ብመኪና ይሓልፉ። \"እታ ተወሊደ ዝዓበኹላ ከተማ ኣይትመስልን\" ትብል ጸደይ። ናይ ሙታን ከተማ እያ ትመስል። ዘይፈልጣ ከተማ መሲላትኒ። ኣዝየ ፈሪሐ። ናብቶም ወተሃደራት ቁሊሕ ኢለ ክጥምት ኣይከኣልኩን። ርእሰይ ኣድኒነ።\" ንኽልተ ሰሙን ኣብ በረኻ ኮለል ዝበሉ ኣኮኣን ሓዋን፡ 103 ኪሎ ሜተር ብእግሮም ተጓዒዞም ናብ መቐለ ተመሊሶም። ኣደኣ፡ ወዳ ብህይወት ክረኽቦም እየ ኢላ ስለዘይኣመነት ተኣምር ኰይኑዋ። \"ኣዝዮም ቀጢኖም መጺኦም፡ ንኽልተ ሰሙን ኣይበልዑን። ንሓወይ ከለልዮ ኣይከኣልኩን\" ኢላ። ብድሕሪኡ ኣዋጅ እቶ እቶ ተኣዊጁ። ኣብ ድሕሪ 12 ሰዓታት ክንቀሳቐሱ ዝተረኸቡ ሰባት ስጕምቲ ከምዝውሰድ ተገሊጹ። መዓልታዊ ስቕ ኢሉ ነበረ፤ \"ኣብ መንጐ ህዝብን ወተሃደራትን ዝነበረ ወጥሪ ልዑል እዩ፤ \"ህዱእ ግን ከኣ ዓው ዝበለ ድምጺ ዘለዎ\" ትብል። ጸደይ፡ እታ ከተማ ለይቲን መዓልትን ብተዅሲ ትናወጽ፡ ነበርቲ ሞይቶም ከም ዝተረኽቡ ምስማዕ ልሙድ ምንባሩ ትዝክር። ሓይልታት ፈደራል ንመቐለ ካብ ዝቈጻጸሩ ኣትሒዙ ክሳብ 21 ሰነ 2013 ሰፊሕ ጥሕሰት ሕጊ፡ ጃምላዊ ቅትለት፡ ዓመጽ ዝምታ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስትን ሆስፒታላትን ከም ዝነበረ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር። ዓንዶም መቐለ ድሕሪ ምምላሱ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክሰርሕ ተሓቲቱ'ኳ እንተነበረ፡ ንሱ ግን ኣብዩ ኣብዚ እዋን ኣብ ናይሮቢ ይነብር ኣሎ። ዓንዶም ብዛዕባ ስድራኡ ንመወዳእታ ግዜ ዝሰምዐ ኣብ ግንቦት እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ወተሃደራት ኤርትራ ሚእቲ ቅርሺ ኣኽፊሎም ብሞባይል ምልክት ገይሮም ክድወለሎም ይገብሩ ነይሮም። ዓንዶም፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ብህይወት ከምዘለዉን ከምዘየለዉን ዝፈልጦ ነገር የለን። ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ 19 ሕዳር፡ ኣብያተ ትምህርትን ሆስፒታልን ሓዊሱ 15 ሲቪላዊ ትካላት ብከቢድ ኣጽዋር ከምዝደብደበ ኣፍሊጡ እዩ። ኣብዚ መጥቃዕቲ ሰለስተ ህፃናት ዝርከብዎም ብውሕዱ 29 ሰላማውያን ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 100 ሰላማውያን ሰባት ከምዝቖሰሉ ሓደ ክኢላ ሕክምና ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ። ኣብ ከተማ መቐለ ብኸቢድ ኣጽዋር ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ቀረብ ኣጽዋር ምንባሩ ይዅን እቲ መጥቃዕቲ ወተሃደራዊ ዒላማ ዘንጻጸረ ከምዝነበረ ዝገልጽ ሓበሬታ ከምዘይረኸበ ገሊጹ። መሰኻኽር ዓይኒን እሙናት ምንጭታትን፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ መቐለን ኣብ 19 ሕዳር 2013 ከምዝወጹ ይገልጹ። እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣብ እዋን ደብዳብ፡ ብሓይልታት ትግራይ ዝተገብረ ጸረ-መጥቃዕቲ ከምዘይነበረ ኣፍሊጡ’ዩ። መንግስቲ ፌደራል ግን ሕጂ’ውን ነቲ ክሲ ኣይቅበልን።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cer42dgpl03o"} {"headline":"ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ሎሚ ኣብ ናይሮቢ ክራኸቡ ምዃኖም ተገሊጹ","content":"ላዕለዎት ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን፡ ኣብ ናይሮቢ ንሰለስተ መዓልቲ ዝቕጽል ዘተ ከካይዱ ምዃኖም ተገሊጹ። እቲ ካብ ሎሚ ረቡዕ 12 ታሕሳስ 2015 [ግእዝ] ክሳብ ዓርቢ ከምዝሳለጥ ዝተገለጸ ዘተ፡ ንትግበራ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ስምምዕ ዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦን ኣብ ናይሮቢ ዝቐጸለ ስምምዕ ትግባረን ዝምልከት ከምዝዀነ ምንጭታት ሓቢሮም። ኣብቲ ንሰለስተ መዓልቲ ዝጸንሕ ዘተ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣተገባብራ ምፍታሕ ዕጥቂ ከምኡ'ውን ሕብረት ኣፍሪቃ ንዘካይዶ ናይ ትግበራ ቍጽጽር ዘድልዩ ነጥብታት ኣፈጻጽማ፡ ተዘራሪቦም ከጽድቝ ትጽቢት ይግበር። እዚ ኣብቲ ድርድር ናይሮቢ ዝተኻየደሉ ቦታ ከምዝሳለጥ ዝተሓበረ ሳልሳይ ዙር ዘተ ብዕጹው ዝካየድ ኰይኑ፡ ኣብ መዕጸዊ መግለጺ ከምዝወሃብ ተፈሊጡ'ሎ። ኣብቲ ዘተ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድ፡ ወከልቲ ኣሜሪካን ዝሳተፉ ኰይኖም ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ እውን ክርከብ ምዃኑ ተሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ድሕሪ ፕሪቶርያ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ፡ ክልቲኦም ወገናት ጐንጺ ደው ከብሉ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክምለሱን ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ክፈትሑን፡ ማዕረማዕረኡ፡ 'ሓይልታት ወጻኢን ካብ ሰራዊት ምክልኻል ፈደራል ወጻኢ ዝዀኑ ዕጡቓት ሓይሊታት ክልላት' ክወጽኡን ምስምማዖም ይዝከር። ኣብዚ ሎሚ ኣብ ናይሮቢ ክጅመር ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ዘተ ሰላም፡ ካብ ክልቲኡ ወገን ዝሳተፉ ወከልቲ ዛጊት ብዝርዝር ኣይተፈልጡን። እንተዀነ፡ \"ቤት ምኽሪ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ኣብ ሻድሻይ ዘመን ሳልሳይ ህጹጽ ጉባኤኡ\" ሸሞንተ ዝኣባላቱ \"ጕጅለ ልኡኽ ዘተ ሰላም ትግራይ\" ዝሓለፈ ሰኑይ ከም ዘጽደቐ ተሓቢሩ እዩ። ድሕሪ እቲ ክልተ ወርሒ ክመልእ ተቓሪቡ ዘሎ ውዕል ሰላም ናብ ትግራይ ዝኣቱ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ምምሕያሽ የርኢ ከምዘሎ ዝተገለጸ ኰይኑ፡ ምስ ጠለብ ደለይቲ ሓገዝ ግን ዝመጣጠን ከምዘይኰነ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ይገልጻ። ኣብ ገለ ከባቢታት ትግራይ እውን ኣገልግሎት ተሌፎንን ሓይሊ ኤሌክትሪክን ጀሚሩ ኣሎ። ብተወሳኺ ኣብ ውሱናት ከተማታት ኣብዚ ሰሙን ኣገልግሎት ባንክ ከምዝጀመረ ተገሊጹ። ኣካል እቲ ስምምዕ ዝዀነ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ግን ተግባራዊ ከምዘይኮነ መራሕቲ ትግራይ ብተደጋጋሚ ክዛረቡ ተሰሚዖም እዮም። ክልተ ዓመታት ዘቝጸረ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ካብ ዝጅምር፡ ኤርትራ ሰራዊታ ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሰሊፋ ክትዋጋእ ከም ዝጸንሀት ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብቲ ብኽልቲኦም ወገናት ዝተፈረመ ውዕል ግን 'ሓይልታት ወጻኢ' ብዝብል እንተዘይኰይኑ ስማ ብወግዒ ኣይተጠቐሰን። ብተወሳኺ ሓይልታት ትግራይ ካብ ብዙሓት ግንባራት ከምዝሰሓቡ'ኳ እንተተገለጸ፡ ምፍታሕ ዕጥቂ ብዛዕባ ምጅማሮም ግን ዝተባህለ ነገር የለን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ 8 ታሕሳስ 2015 [ግእዝ] ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ነተ ዝተበጽሐ ውዕል ሰላም ተግባራዊ ይገብር ከምዘሎ ሓቢሩ። ኰይኑ ግን ኣቦ መንበር ህወሓትን ፕረዚደንት ትግራይን ዶ\/ር ደብረጽዮን ብሰንበት ኣብ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ እቲ ስምምዕ ሰላም ብወገን መንግስቲ ፌደራል ምሉእ ብምሉእ ይትግበር የለን ኢሉ። ንሱ፡ \"ብወገን መንግስቲ ፈደራል ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝነኣዱ ጉዳያት'ኳ እንተሃለዉ፡ ኣብ ዝተረፉ ነጥብታት እቲ ውዕል ሰላም ግን ብዝኣተዎ ቃል መሰረት ኣይፈጸመን\" ኢሉ። ብኻልእ ዜና፡ መንግስቲ ፈደራል፡ መቐለን ካልኦት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዘይተቘጻጸሮም ከባቢታት ዝተወደበ ዘረፋ ይፍጸም ምህላዉ ብምሕባር፡ ድሕነት ህዝቢ ንምሕላው ስጕምቲ ከምዝወስድ ቅድሚ መዓልቲታት ምግላጹ ዝዝከር እዩ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c1w6we6w6d5o"} {"headline":"ሰራዊት ትግራይ ሒዝዎም ካብ ዝጸንሐ ናይ ውግእ መስመራት ይወጽእ ምህላዉ ተገሊጹ","content":"ሰራዊት ትግራይ ካብቲ ሒዝዎ ዝጸንሐ መስመራት ናይ ውግእ ይወጽእ ምህላው ማዕከናት ዜና እቲ ክልል ኣቓሊሐን። እቲ ብዝሑ ዘይተገለጸ ሰራዊት ካብቲ ዝጸንሖ ግንባራት ደቡብ፡ ማይቅነጣል፡ ዛላምበሳ፡ ነበለት፡ ጨርጨር፡ ኩኩፍቶ፡ ሕጉምብርዳ፡ በሪ ተኽላይን ኣበርገለን ካብ ትማሊ ጀሚሩ ክወጽእ ከምዝጀመረ’ዩ ተገሊጹ ዘሎ። ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ኣብ ዩትዩብ ኣብ ዝተዘርገሐ ቪድዮ'ውን፡ ሰራዊት ህወሓት ብመሰረት ኣብ ሞንጎ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ካብ ጽባሕ ቀዳም ጀሚሮም ከበደቲ ብረታታቶም ከረክቡ ምዃኖም ገሊጹ። እቲ ኣምባሳደር “ብዘዕባ ምርካብ ከበድቲ ብረታት ዝምልከት፡ ንሶም [ህወሓት] 17 ሕዳር’ዮም ብረቶም ከረክቡ ነይርዎም፡ እንተኾነ እዚ ክትግበር ኣይክኣለን ሕጂ ግን 3 ታሕሳስ ከረክቡ ተወሲኑ’ሎ” ኢሉ። ብዛዕባ ምፍታሕ ዕጥቒ ሰራዊት ትግራይን ኣተገባብራኡን ዝምልከት መደብ ንኸውጽእ ዝቘመ ሓባራዊ ኮሚቴ ውጥንን ተክኒክን መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ካብ 30 ሕዳር 2022 ጀሚሩ ኣብ ከተማ ሽረ ኣኼባ የካይድ ምህላዉ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ ነይሩ። ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ኣብ ፕሪቶርያን ኣብ ናይሮብን ብዝገበርዎ ዘተ፡ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይ ገደብ ክኣቱን ሰራዊት ህዝባዊ ወያን ሓርነት ትግራይ ዕጥቑ ክፈትሕን፡ ማዕረ ማዕረኡ ድማ \"ሓይልታት ወጻእን፡ ካብ ምዱብ ሰራዊት ምክልኻል ፈደራል ወጻኢ\" ዝዀኑ ዕጡቓት ሓይልታትን ካብ ትግራይ ክወጽኡ ዝብል ነጥብታት ዝሓዘ ውዕል ከምዝኸተሙ ዝዝከር’ዩ። እዚ ኮሚቴ ውጥንን ተክኒክን ብመሰረት ኣብ ናይሮቢ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣቐዲሙ ክራኸብ መደብ'ኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ተክኒካዊ ጸገማት እቲ ርክብ ከምዝተደናጐየ እቲ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ። እቲ ኣብ ሽረ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ሓባራዊ ኮሚቴ ንኽንደይ መዓልታት ከምዝካየድ'ኳ እንተዘይተገለጸ፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት ክዛዘም ምዃኑ እቲ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን ኣመልኪቱ'ሎ። ኣምባሳደር ባጫ ደበለ ብወገኑ ኣዝዘቲ ናይ ክልቲኡ ወገን፡ ንኣገባብ ኣፈታትሓ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይን እቶም መዕጡቓት ኣብ ዝተመደበሎም ቦታ ብሓደ ዝእከብሉ ኣገባብን ኣመልኪቶም “መዓልታዊ ኣኼባ የካይዱ ኣለዉ” ኢሉ። እቲ ኣምባሳደር “ኣነ ብዝረኸብክዎ ሓበሬታ እቲ ንዕጡቓት ኣብ ሓደ ቦታ ናይ ምእካብ መስርሕ ተጀሚሩ ኣሎ” ኢሉ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቀይሕ መስቐል ኢትዮጵያ፡ 13 መካይን ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን 3 መካይን ናይ ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያን ኣስታት 200 ቶን መግብን መድሃኒትን ዝርከቦ ሰብኣዊ ረድኤት ጽዒነን ናብ መቐለ ከምዝኣተዋ ገሊጹ። እተን መካይን ካብ ማሕበር ሽኮርያ ኢትዮጵያ ዝተወፈየ ኢንሱሊንን ንድያሊሲስ ዘድሊ ነገራትን’ውን ከምዝተማልኣ እቲ ብቀይሕ መስቐል ኢትዮጵያ ብትዊተር ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ የረድእ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ck54e0n16pxo"} {"headline":"ሓባራዊ ኮሚቴ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ኣብ ሽረ ዝርርብ ጀሚሩ","content":"ብዛዕባ ምፍታሕ ዕጥቒ ሰራዊት ትግራይን ኣተገባብራኡን ዝምልከት መደብ ንኸውጽእ ዝቘመ ሓባራዊ ኮሚቴ ውጥንን ተክኒክን መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ካብ ትማሊ 30 ሕዳር 2022 ጀሚሩ ኣብ ከተማ ሽረ ኣኼባ የካይድ ምህላዉ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ኣብ ፕሪቶርያን ኣብ ናይሮብን ብዝገበርዎ ዘተ፡ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይ ገደብ ክኣቱን ሰራዊት ህዝባዊ ወያን ሓርነት ትግራይ ዕጥቑ ክፈትሕን፡ ማዕረ ማዕረኡ ድማ \"ሓይልታት ወጻእን፡ ካብ ምዱብ ሰራዊት ምክልኻል ፈደራል ወጻኢ\" ዝዀኑ ዕጡቓት ሓይልታትን ካብ ትግራይ ክወጽኡ ዝብል ነጥብታት ዝሓዘ ውዕል ከምዝኸተሙ ዝዝከር’ዩ። እዚ ኮሚቴ ውጥንን ተክኒክን ብመሰረት ኣብ ናይሮቢ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣቐዲሙ ክራኸብ መደብ'ኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ተክኒካዊ ጸገማት እቲ ርክብ ከምዝተደናጐየ እቲ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ። እቲ ኣብ ሽረ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ሓባራዊ ኮሚቴ ንኽንደይ መዓልታት ከምዝካየድ'ኳ እንተዘይተገለጸ፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት ክዛዘም ምዃኑ ግን መግለጺ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን ኣመልኪቱ'ሎ። እቲ መግለጺ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ንትግራይን ወኪሎም ኣብቲ ኣኼባ ዝሳተፉ ዘለዉ ተወከልቲ በዓል መን ምዃኖም ግን ኣይገለጸን። ቀንዲ ዛዕባ እቲ ኣኼባ፡ \"ምፍታሕ ዕጥቅን ምስኡ ዝዛመዱ ዛዕባታት\" ዝርዝር ኣፈጻጽማ መደባት ንምቕማጥ ከምዝዀነ ዝሓበረ እቲ መግለጺ፡ \"ዝርዝር ውጥን ኣፈጻጽማ ምፍታሕ ዕጥቂ ትማሊ 30 ሕዳር ክቐርብ ይግባኦ\" ከም ዝነበረ ጠቒሱ'ሎ። እንተዀነ፡ እቲ ሓባራዊ ኮሚቴ ኣብ ዝመጽእ ሒደት መዓልታት ዕማሙ ዛዚሙ ነቲ ውጥን ከምዘዳሉ እቲ መግለጺ የመልክት። እቲ ሎሚ ዝወጽአ መግለጺ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ፡ \"ምፍታሕ ዕጥቅን [ሓይልታት ትግራይ] ምስኡ ዝዛመዱ ዛዕባታትን\" ካብ ምባል ወጻኢ ብዛዕባ'ቲ ኣዘራራቢ ዝዀነ ዛዕባ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ሓይልታት ጐረባብቲ ክልላትን ካብ ትግራይ ብንጹር ዝበሎ ነገር የለን። ብዛዕባ እዚ ኣብ ሽረ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ሓባራዊ ኮሚቴ ውጥንን ተክኒክን ዝምልከት ብወገን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ይዅን ህወሓት ክሳብ ሕጂ ዝተበሃለ ነገር የለን። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ምስ ዋና ጽሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረዝን ምስ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቓ ሙሳ ፋኪን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቡ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ከምዝተዛተየ ብትዊተር ሓቢሩ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/clkzl2w3k4vo"} {"headline":"ኢትዮጵያ ኣብ ኮሚሽን ሰባዊ መሰላት ኣፍሪቃ ጥርዓን ቀሪቡላ","content":"ምስቲ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ዝብሃል ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ብዝተሓሓዝ ኣብ ኮሚሽን ሰባዊን ህዝባውን መሰላት ኣፍሪቃ ጥርዓን ከምዘቕረቡ ሰለስተ ተጣባቕቲ ትካላት ኣፍሊጦም። እቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ቀሪቡ ዘሎ ክስታት ንግዳያት ናይቲ ግጭት ብምውካል ዝቐረበ ምዃኑ ኣብቲ ሎሚ ዘውጽእዎ መግለጺ ጠቒሶም። እቲ ጥርዓን ብክልተ ኣብ ለንደን ዝርከቡ ትካላት ሕጊን ሓደ ኣብ ታንዛንያ ዝርከብ ማሕበር ሰብሞያ ሕግን ዝቐረበ'ዩ። \"ኣብቲ ዝቐረበ ጥርዓን፡ ዘሕዝን ዛንታት ጃምላዊ ቅትለት፡ ዘይሕጋዊ መርሸንቲ፡ ሰፊሕን ጨካንን ጾታዊ ዓመጽን ጾታዊ ጎነጽን፡ ኣልማማ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ደብዳባትን ኣብ ልዕሊ ኣገዳሲ ሲቪላዊ ትሕተ-ቅርጽታት ዝወረደ መጥቃዕትን\" ከምዝርከቦ እቲ መግለጺ ሓቢሩ። \"እዚ ንፈለማ እዋን ተጋሩ ግዳያት፡ በቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዓለምለኻዊ ሕጊ ከምዝጠሓሰት ክውሰን ዝኽእል ኣካል ዝሰምዕሉ ዘለዉ እዩ\" ክብል'ውን ገሊጹ። ኣብቲ ኲናት ብኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት ይሕብሩ። ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ እቲ ኲናት ኣብ ትሕተ-ቅርጺ ከቢድ ዕንወት ኣስዒቡ'ዩ። ገለ ትካላት ምሉእ ብምሉእ ክዓንዋ እንከለዋ፡ ገለ ድማ ብኸፊል ጉድኣት ወሪዱወን። 'ሌጋል ኣክሽን ዎልዋይድ'፡ ትካል ተበቓታት 'ደብቮይስን ፕሊምቶንን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ታንዛንያ ዝመደበሩ 'ፓን ኣፍሪካን ሎውየርስ ዩንዮን' ዝተባህለ ኣፍሪቃዊ ማሕበርን ከምዝበልዎ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ዘቕረብዎ ጥርዓን መልሲ ንምሃብ 60 መዓልታት ኣለዋ። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊት ብዛዕባ'ቲ ክሲ ዝወጸ ወግዓዊ መግለጺ የለን። ኣብቲ ካብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ክሳብ መጀመርታ ሕዳር 2022 ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት፡ ብኹሎም ወገናት ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ከምዝተፈጸመ ተሓለቕቲ ይኸሱ። እቲ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ትግራይ፡ ብ2 ሕዳር ናይዚ ዓመት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝተፈረመ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ደው ኢሉ ከምዘሎ ይፍለጥ። ብመሰረት ኣብ መንጎ ኣዘዝቲ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝተኸተመ ኣዋጅ ናይሮቢ ድማ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ግንባራት ከምዝሰሓቡን ዘለዎም ዕጥቂ ከበድቲ ብረታት የውርዱ ከምዘለዉን ይግለጽ። ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ግፍዕታት ንምጽራይ ሓደ መርማሪ ኣካል ከምዘቖመን፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻባት ኣብቲ ኲናት ከቢድ ግፍዕታት ከምዝተፈጸመ ምግላጹን ይዝከር። ብመሰረት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ሕክምናዊ ቀረባት ዝርከቦ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብታ ብውግእ ዝዓነወት ክልል ክኣቱ ጀሚሩ'ሎ። ኣብ ርእሰከተማ ባንጁል፡ ጋምብያ ዝመደበሩ ኮሚሽን ሰባውን ህዝባውን መሰላት ኣፍሪቃ፡ ኣካል ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ፡ ንጉዳያት ምግሃስ መሰላት ክከታተልን ክዳኒን ኣብ ሕዳር 1987 ዝቖመ'ዩ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cxejrn8dx5vo"} {"headline":"ሓይልታት ትግራይ ካብ ከባቢታት ጎንጺ ናይ ምስሓብ ስራሕ ክጅመር እዩ - ጀነራል ታደሰ","content":"ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ብመሰረት እቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰብመዚ ትግራይን ዝተበጽሐ ስምምዕ ውዕል ሰላም፡ ሓይልታቶም ካብቲ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያን መላፍንቶምን ኲናት ከካይዱሎም ዝጸንሑ ግንባራት ናይ ምስሓብ መስርሕ (disengagement) ኣብ ዝቕጽሉ ውሑዳት መዓልቲታት ከምዝጅመር ገሊጹ። ጀነራል ታደሰ፡ ትማሊ ሰሉስ ብመራኸቢ ብዙሓን ትግራይ ኣብ ዝተቓልሐ፡ ድሕሪ ምፍራም ውዕል ሰላም ንፈለማ እዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዛዕባ እቲ መስርሕ ሰላም ንሓይልታቶም ናይ ምርዳእ ስራሕቲ የጻፍፉ ከምዘለዉ ክገልጽ እንከሎ፡ ምስሓብ ሰራዊት ከምዝቕጽል ተዛሪቡ። “እቲ ምርድዳእ ይግበር ኣሎ፤ ድሕሪኡ ሓይሊ ምልቓቕ ‘ዲስኢንጌጅ ምግባር’፡ ኣጐዓዒዝካ፡ ክዀነሉ ኣብ ዝግባእ ቦታ ንምግባር ድማ ኣብዚ ክልተ ሰለስተ መዓልቲ ዝጅመር ክኸውን እዩ” ኢሉ። ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ኣብ ፕሪቶርያ ኣብ መንጐ ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ዝተገበረ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ፡ ኣፈጻጽምኡ ብዝምልከት ኣዘዝቲ ሰራዊት ክልቲኦም ሓይልታት ኣብ ናይሮቢ ተራኸቦም ተዘራሪቦም እዮም። እቶም ኣዘዝቲ ድሕሪ እቲ ናይ ናይሮቢ ዘተ፡ ንሰራዊቶም ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልቲ መብርሂ ክህቡ ዝተሰማምዑኮይኖም፡ ሰራዊቶም ካብቲ ተፋጢጦምሉ ዘለዉ ግንባራት ኲናት ምስሓብን፡ ጸጥታ ትግራይ ኣብ ግምት ብምእታው ጐኒ-ጐኒ ምውጻእ ሓይልታት ወጻእን ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘይኰኑ ዕጡቓትን ካብ ትግራይ፡ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቂ ከቢድ ብረት ዝፈትሑሉ ኣገባብ ንምፍጻም ተረዳዲኦም እዮም። በዚ መሰረት ሓይልታት ትግራይ፡ ነቲ ካብኦም ትጽቢት ዝግበር ይፍጽሙ ከምዘለዉ እውን እቲ ኣዛዚ ኣፍሊጡ። “ብወገንና ክትግበር ዘለዎ ነገር ክትግበር እዩ፤ ብወገን እቲ መንግስቲ እውን እዚ ይገብሩ ይህልዉ እዮም” ኢሉ። እቲ ዝተፈረመ ውዕል ሰላም ስዒቡ ተዅሲ ደው ኢሉ ከምዘሎ ዘረጋገጸ ኣዛዚ ሓልታት ትግራይ፡ በቲ ለውጢ ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ሕጕሳት ምዃኖም ኣብሪሁ። “ሓደ ጭቡጥ ለውጢ፡ ግጭት ተዅሲ ጠጠው ኢሉ ኣሎ። በዚ ድማ ኵሉ ህዝቢ ሕጕስ ኰይኑ ኣሎ . . . እቲ ሰራዊት እውን ሕጕስ እዩ።” “ዝታዀስ ዝነበረ ሰራዊት ኣብ ገለ ከባቢታት ብኣካል ዝራኸቡሉን ሓሳብ ዝለዋወጡሉን ኵነታት ፈጢሩ ኣሎ” ኢሉ። ብሰንበት ብዛዕባ እቲ ዘተ ሰላም ፈላሚ መግለጺ ዝሃቡ ተደራደርቲ ትግራይ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን፡ ኣብ ተፈጻምነት እቲ ውዕል ሰላም ተስፋ ከምዘለዎም፡ እንተዀነ ምውጻእ ናይቶም ኣብ ትግራይ “ግፍዒ ይፍጽሙ ኣለዉ” ክብሉ ዝኸሰሰሱዎም ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ዕንቅፋት ክዀኑ ከምዝኽእሉ ምዝራቦም ዝዝከር እዩ። ብዛዕባ እቲ ብወገን ትግራይ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ፡ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ይዅን ኢትዮጵያ ዝተወሃበ ምላሽ የለን። ህላወ ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ኣብ ትግራይ፡ ጭቡጥ ስግኣት እቲ ሰላም ከምዝዀነ ዝገለጸ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ እቶም ሓይልታት ብቕልጡፍ ክስሕቡ ጸዊዑ። \"ክልቲኦም ኣብ መሬት ትግራይ እዮም ዘለዉ። እቲ ስምምዕ ዝገበርናዮ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለዝዀነ እቶም ዝተረፉ ስምምዕ ዘይገበርናሎም ሓይልታት፡ እቲ ስምምዕ እውን ኣይምልከቶምን፤ ካብዚ እውን ክወጹ ኣለዎም።\" ምስሓብ እቶም ሓይልታት ምስዘይፍጸም ግን፡ እቲ ንምፍታሕ ዕጥቂ ብዝምልከት ዝኣተውዎ መብጽዓ ኣብ ምትግባር ዕንቅፋት ክፈጥር ምዃኑ ሓቢሩ። “እቲ ዕጥቂ ምፍታሕ ምስ ሰላምን ድሕነትን ትግራይ ኣተኣሳሲርካ ዝፍጸም እዩ። ናይ ከቢድ ብረት ዕጥቂ ምፍታሕ ምስ ናይዞም ሓይልታት ምውጻእ ተራእዩ ዝፍጸም እዩ ዝኸውን። ክወጹ እንተዘይክኢሎም ክነውርድ እውን ኣይንኽእልን ማለት እዩ። ንሳቶም እንተወጺኦም ከቢድ ብረት ናይ ምዕጣቕ ምኽንያት እውን ኣይህልወናን ማለት እዩ።” ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ተኻይዱ ንሞት ኣሽሓት፡ ምፍንቓል ሚልዮናትን ዕንወትን ምኽንያት ዝዀ'ነ ኲናት፡ ደው ንምባል ውዕል ሰላም ድሕሪ ምኽታሙ፡ ናብታ ሚልዮናት ነበርታ ኣብ ዕጽዋ ብጥምትን ስእነት መድሃኒትን ዝሳቐዩ ዘለዉ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ብቕልጡፍ ክኣቱን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክጅመሩን ትጽቢት ይግበር ኣሎ። ክንድቲ ዝድለ ኣይዅን እምበር፡ ሰብኣዊ ሓገዝን መድሃኒትን ምእታው ከምዝጀመረ ጸብጻባት ይሕብሩ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cjq7vze5wxno"} {"headline":"ብሊንከንን ኣቢይ ኣሕመድን ብዛዕባ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ዘትዮም","content":"ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ተራኺቦም ብዛዕባ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ብቕልጡፍ ዝወጽእሉ ኵነታት ተዘራሪቦም። ብመሰረት ወሃቢ ቃል እቲ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኔድ ፕራይስ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከንን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ ክስሕብ ከምዝግባእ ዘትዮም። ብመሰረት እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጐ መራሕቲ ትግራይን ፈደራላዊ መንግስትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም፡ ጐድኒ ጐድኒ ምፍታሕ ኣጽዋር ሓይልታት ትግራይ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ ኣለዎም። ዋላ'ኳ እቲ ስምምዕ ከምዚ እንተበለ፡ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ምስሓብ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ይዅን ምጅማር ምስሓብ ብወግዒ ዝተገልጸ ነገር የለን። እቲ ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ብዛዕባ ምስሓብ ሰራዊት ኤርትራ፡ ሓይልታት ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ኣብ ክልል ትግራይ ከምዘለዉ ኣመልኪቱ እዩ። መራሕቲ ትግራይ፡ ቅድሚ ሰሙናት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ 65 ሚእታዊ ሰራዊት ትግራይ ካብ ግንባራት ውግእ ወጺኡ ምህላዉ ገሊጾም። ሰራዊት ኤርትራ ተቘጻጺሮምዎ ኣብ ዘለዉ ከባቢታት ትግራይ ብቐጻሊ ግፍዕታት ይፍጽሙ ከምዘለዉ ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብ ዋዕላ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ንምስታፍ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ምስ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዛዕባ ሕድሕድ ኲናት ኢትዮጵያ ብዝምልከት ተወሰኽቲ ጉዳያት ከምዝተዘራረቡ እውን ተገሊጹ። ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ስምምዕ ከምዝንእድ ገሊጹ። \"እዚ ስምምዕ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንምምጻእ 'ዩ\" ክብል ኔድ ፕራይስ ገሊጹ። እቲ ስምምዕ ስዒቡ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሃብን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ንምጅማርን ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ዝበረታታዕን ምዃኑ ኣንቶኒ ብሊንከን ገሊጹ። እንተዀነ፡ እቲ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ብቕልጡፍ ተግባራዊ ክኸውን ብምጥላብ፡ ጕጅለ መርመርቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ቤት ምኽሪ [ሕቡራት ሃገራት] ኣብቶም ጐነጽ ዝተፈጠረሎም ከባቢታት ኣትዩ ከጻሪ ሓቲቱ ኣሎ። ኣሜሪካ፡ ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ስምምዕ ሰላም ንምምችቻእ ተግባራውነቱ ንምርግጋጽ ኣብ ጐድኒ እቲ ሕብረት ደው ከም እትብልን’ውን ቃል ኣትዩ። ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ብሰንኪ ኲናት ዝተቛረጹ ኣገልግሎታት ከም ኤለክትሪክ፡ ባንክ፡ ተሌፎንን በረራታትን ናብ ንቡር ንምምላስ ጻዕርታት ይግበር ከምዘሎ ይግለጽ። ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ሰብኣዊ ማሕበራት ቅድሚ ስምምዕ ሰላም ምፍራሙ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ሓገዝ መሊሱ እንተጀመረ’ኳ፡ እቲ ደገፍ ድሩት ምዃኑ መራሕቲ ትግራይ ይገልጹ ኣለው። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ዝርከቦም፡ መራሕቲ 49 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሳተፍሉ ካልኣይ ዋዕላ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ትማሊ 13 ታሕሳስ ጀሚሩ ኣሎ። እቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሕ ዋዕላ ዓለምና ዘጋጥማ ዘሎ ብድሆታት፡ ቅልውላው ክሊማ፡ ሰናይ ምምሕዳር፡ ውሕስነት መግብን ዓለማዊ ጥዕናን ከምኡ’ውን ምሕያል ዕድላት ንግድን ወፍርን ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ዘተኰረ ከምዝኸውን ይንገር።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cpw437gw4w6o"} {"headline":"ብሊንከን፡ ንህጹጽ ትግባረ ውዕል ሰላም ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ተዘራሪቡ","content":"ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ንኣገዳስነት ቅልጡፍ ትግባረ ውዕል ሰላም መንግስቲ ፈደራልን ህወሓትን ኣመልኪቱ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ከምዝተዘራረበ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ ሓበሬታ ገሊጹ። ብሕብረት ኣፍሪቃ ተመሪሑ፡ ነቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ንምዕራፍ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ኣብ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኸተመ ሰነድ ዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦታት፤ ከምኡ’ውን ንእኡ ምርኩስ ገይሩ ኣብ ናይሮቢ ኣብ መንጐ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ክልቲኡ ወገናት ኣብ ዝተበጽሐ ውዕል ትግባረ ስምምዕ፡ ኣሜሪካ ወሳኒ ተራ ከም ዝጸንሓ እዩ ዝንገር። ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ብሊንከን፡ ብ 22 ሕዳር ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ኣብ ትግራይ ከምኡ’ውን ኣብ ጐረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዘይተቘጠበ ሰብኣዊ ረዲኤት ንምብጻሕን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ንምምላስን ብመንግስቲ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪታት ከም ዝነኣደ ኣመልኪቱ። ኣብ ርእሲ’ዚ ብሊንከን፡ ኣድላይነት፡ “ምውጻእ ሓይልታት ወጻኢን ማዕረ ማዕረኡ ምውራድ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይን፡” ዘጠቓልል ህጹጽ ትግባረ ስምምዕ ዘላቒ ምቝራጽ ተጻብኦታት ኣስሚሩሉ። ብመሰረት እቲ ኣብ ናይሮቢ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ \"ሓይልታት ወጻእን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዘይኰኑ ዕጡቓትን\" ካብ ትግራይ ምውጻእ ምስ ምፍታሕ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይ ማዕረ ማዕረ ክፍጸም እዩ ዘለዎ። ድሕሪ’ቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ እቲ ኣብ መንጐ ሰራዊት ፈደራልን ሓይልታት ትግራይን ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ደው ከም ዝበለ ክልቲኦም ወገናት ክገልጹ ጸኒሖም ኣለው። ምስዚ ተተሓሒዙ’ውን፡ መግብን መድሃኒትን ናብ ትግራይ ክኣቱ ከም ዝጀመረ፡ ኣህጉራውያን ትካላት ረዲአት ገሊጸን እየን። ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ነዚ ኣመልኪቱ ዝሃቦ፡ ትማሊ 22 ሕዳር ኣብ ብማዕከናት ዜና ‘ቲ ክልል ኣብ ዝተቓልሐ መግለጺኡ፡ ብመሰረት ‘ቲ ኣብ ናይሮቢ ዝገበርዎ ስምምዕ፡ ንዕጡቓት ሓይልታቶም ዝምልከት በብደረጃኡ ዝወርድ መብርሂታት ይወሃብን፡ ስዒቡ ኣብ ዝመጽእ ሒደት መዓልታት ዝትግበር፡ ምግላል ዕጡቕ ሓይሊታቶም ካብ ዞባ ኲናት ክፍጽሙ ምዃኖምን ኣተንቢሁ’ሎ። እቲ ጀነራል ኣብ መግለጺኡ፡ ብወገን ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ’ውን ማዕረ ማዕረኡ እቲ ዝግባኦም ክገብሩ ትጽቢት ዝግበር ምዃኑ ኣመልኪቱ። ነቲ ስምምዕ ምርኩስ ብምግባር ብፍላይ ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ዝፍጸም ዘሎ ነገራት፡ ብወገን ሰራዊት ምክልኻል መንግስቲ ፈደራል ዝተዋህበ ዝዀነ ሓበሬታ የለን። እንተዀነ መንግስቲ ፈደራል፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ትግራይ ክኣቱ ከም ዝጀመረን፡ ተቛሪጹ ዘሎ ኣገልግሎታት ንምጅማር ዘኽእል ስርሓት ይካየድ ከም ዘሎን ክገልጽ ጸኒሑ እዩ። ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ ሓገዝ \"ልዕሊ ዝዀነ እዋን ሎሚ ይውሕዝ ኣሎ\" ክብል ድሕሪ'ቲ ስምምዕ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝሓለፈ ሰሉስ 15 ሕዳር ንባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ብወገኑ፡ መንግስቲ በቲ ኲናት ንዝተሃስዩ ከባቢታት ብዝምልከት ሰለስተ ስጕምትታት ማለት፤ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምቕራብ፡ መሰረተ ልምዓት ብምህናጽን ተመዛበልቲ ብምምላስን ከምዝፍጸም ኣመልኪቱ ምንባሩ ኣይርሳዕን። ነቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ፈደራልን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣመልኪቶም፡ ወከልቲ ጕጅለ ተዛተይቲ ትግራይ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን ብ 20 ሕዳር ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፡ ኣብ መስርሕ ትግባረ እቲ ስምምዕ፡ እቲ ቀንዲ ፈተና ምትእትታው ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ጐረባብቲ ክልላትን ምዃኑ ጠቒሶም ነይሮም። ብ 15 ሕዳር ንጋዜጠኛታት ብርሑቕ መግለጺ ዝሃበ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ዋሽንግተን ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበስልጣን ትግራይን፡ ሓይልታት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ከም ዝስሕቡ ንምግባር ኣብ ቃሎም ጽኑዓት ምህላዎም ከም ዘረጋገጸት ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር። “እዞም ስምምዓት ምስ ዘይክበሩ እገዳ ከም ሓደ መሳርሒ ወትሩ ኣብ ኢድ ኣሜሪካ እዩ ዘሎ፡ ክብል እቲ በዓል ስልጣን ኣጠንቂቝ ነይሩ። እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ በዓል ስልጣን፡ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጲያ ሰላም ንምምጻእን ትግባረ እዚ ውዕል ሰላም ንምርግጋጽን ዘይተቘጠበ ዲፕሎማስያውን ሎጀስቲካውን ደገፋት ከም እትገብር ዝገለጸ ክኸውን እንከሎ፡ ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ብሊንከን፡ ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ መስርሕ ሰላምን ምስኡ ዝተሓሓዝ መካኒዝም ምክትታልን ምርግጋጽን [ትግባረ] ንምድጋፍ ኣሜሪካ ኣብ ቃላ ጽንዕቲ ምህላዋ ደጊሙ ኣረጋጊጹ’ሎ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cgl10yj51xeo"} {"headline":"ውዕል ሰላም ኢትዮጵያ እንተዘይተኸቢሩ፡ ኣሜሪካ እገዳ ካብ ምግባር ድሕር ኣይክትብልን እያ'","content":"ኣሜሪካ፡ እቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቝራጽ ተዅሲ ክኽበር እንተዘይክኢሉ፡ እገዳ ካብ ምሕላፍን ነቶም ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝኽሰሱ ተሓተትቲ ካብ ምግባርን ድሕር ከምዘይትብል፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣጠንቂቝ። በቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት፡ ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ክልል ኣምሓራን ካብ ትግራይ እንተዘይወጺኦም እንታይ ክኸውን እዩ፡ ዝብል ንዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ እንከሎ እቲ ኣሜሪካዊ በዓል ስልጣን፡ “እዞም ስምምዓት ምስዘይክበሩ ብዛዕባ’ቲ ክኸውን ዝኽእል ነገር ኣቐዲመና ርእይቶ ክንህብ ኣይደልን፡” ድሕሪ ምባል፡ እንተዀነ ማዕቀብ ከም ሓደ መሳርሒ ወትሩ ኣብ ኢድ ኣሜሪካ እዩ ክብል ኣስሚሩሉ። \"እገዳ፡ ከም ሓደ ፖሊሲኣዊ መሳርሒ ኵሉ ግዜ ኣብ ኢድ ኣሜሪካ እዩ ዘሎ። ተቐያድነትን ተፈጻምነትን እዚ ስምምዕ ንምርግጋጽ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ’ውን ኣብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተዋሳእቲ ንዝዀኑ ተሓተትቲ ንምግባር ድሕር ኣይክንብልን ኢና፤ ስምምዕ ክኽበርን ቀያድነቱ ክረጋገጽን ጥራይ እዩ ዘለዎ\" ክብል እቲ በዓል ስልጣን፡ ብናይ ርሑቕ መራኸቢታት ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ። እቲ ስሙ ዘይጠቐሰ ግን መግለጺ ዝሃበሉ ቦታ ኣዲስ ኣበባ ምዃኑ ዝግመት በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ኣተሓሒዙ፡ ዋሽንግተን ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበስልጣን ትግራይን፡ ሓይልታት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ከም ዝስሕቡ ንምግባር ኣብ ቃሎም ጽኑዓት ምህላዎም ከም ዘረጋገጸት ሓቢሩ። ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር፡ ድሕሪ ልዝብ ናይሮቢ፡ ንጕጅለ ተዛተይቲ ትግራይ ኣሰንዩ መቐለ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ምስ ዶ\/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ክዘራረብ ዕድል ከም ዝረኸበን፡ ትማሊ ሰሉስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሱ ድማ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ምክትሉ ደመቀ መኮንን ከምዝተዘራረበን ኣመልኪቱ። ኣብ ኢትዮጲያ ሰላም ንምምጻእን ትግባረ እዚ ውዕል ሰላምን ንምርግጋጽ ኣሜሪካ ዘይተቘጠበ ዲፕሎማስያውን ሎጀስቲካውን ደገፋት ከም እትገብር ዘመልከተ እቲ በዓል ስልጣን፡ ፍሉይ ልኡኽ ማይክ ሃመር፡ ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ምስ ዋና ጽሓፊ ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ክዘራረብ ምዃኑ’ውን ሓቢሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፡ ነቲ ንኽልተ ዓመታት ዝቐጸለ፡ ኣሽሓት ዝቐተለን፡ ትሕተቕርጺ ዘዕነወን፡ ሚልዮናት ካብ ኣባይቶም ዘፈናቐለን ኲናት ደው ንምባል፡ ብ 2 ሕዳር 2022 ኣብ ፕሪቶርያ ውዕል ሰላም ከም ዝኸተሙ ዝዝከር እዩ። እቲ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ናይሮቢ ዝተኸተመ ሰነድ ትግባረ ስምምዕ’ውን፡ ዕጥቂ ምፍታሕ ሓይልታት ትግራይ ጐድኒ ጐድኒ ምውጻእ ሓይልታት ወጻኢን፡ ካብ ወተሃደራት ምክልኻል ፈደራል ወጻኢ ዝዀኑ ዕጡቓትን ክትግበር ብንጹር ኣቐሚጡ እዩ። እቲ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ መግለጺ ዝሃበ በዓል ስልጣን፡ ኣብ ናይሮቢ ዝተገብረ ዘተ ክልቲኦም ወገናት፡ ነቶም ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዘይንጹራት ዝመስሉን ወይ ከም ርዱእ ዝተወስዱን ነጥብታት ንምንጻርን ኣተገባብራኦም ኣብ ዝምልከት ንምስምማዕን ወሳኒ ምንባሩ ጠቒሱ። ከም ኣበሃህላኡ፡ እቲ ሰነድ ትግባር፡ ህላወ ሓይልታት ወጻኢን፡ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ፈደራል ወጻኢ ንዝዀኑ ዕጡቓት ሓይልታትን ኣብ ትግራይ ምህላዎም ኣፍልጦ ዝሃበ እዩ። ወተሃደራት ጐረቤት ሃገር ኤርትራን፡ ሓይልታት ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያን፡ ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምዃን ትግራይ ኣትዮም ክዋግኡ ጸኒሖም እዮም። በዚ መሰረት፡ ኤርትራ፡ ሰራዊታ ካብ ትግራይ እንተዘይስሒባ እገዳ ክግበር ከም ዝኽእል እቲ በዓል ስልጣን ኣመልኪቱ’ሎ። እቲ ኣሜሪካዊ በዓል ስልጣን፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ውዕል ምቝራጽ ተጻብኦታት፡ ኣብ ውሽጢ 48-72 ሰዓታት፡ ኣብ መንጐ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ተዅሲ ደው ከም ዝበለ፡ ብምምልካት፡ እዚ ክልቶኦም ወገናት ንሰላም ዘለዎም ቈራጽነት ዘርኢ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ትግራይ፡ ዝተሃስዩ ከባቢታት ኣምሓራን ዓፋርን ንምብጻሕ ኣገዳሲ ምዕባለ ምዃኑ ኣገንዚቡ። \"እዚ ፈላሚ መዓልታት [ናይቲ ስምምዕ] እዩ፡\" ዝበለ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ \"ብመንጽር እቲ ድሮ ክንርእዮ ጀሚርና ዘለና ምዕባለታት ግን፡ እቲ ስዒቡ ዝመጽእ ትግባረ ተስፋ ዝህብ እዩ፤ እንተዀነ [በዚ ጉዳይ] ንሓንቲ ደቒቕ’ውን ትዅን ከም ዘይነዕርፍ ርግጸኛታት ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም” ክብል ነቶም ብርሑቕ ሕቶታት ዘቕርቡ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ኣረጋጊጹ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ckm4n6gn4d8o"} {"headline":"ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ መንግስትን ህወሓትን ኣብ ዝርዝር ጉዳያት ኣብ ስምምዕ በጺሖም","content":"ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት መንግስት ፌደራልን ህወሓትን ዝርዝር ኣተገባብራ ናይቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተፈረመ ስምምዕ ምቁራጽ ኲናት ብዝምልከት  ሎሚ ቀዳም 12 ሕዳር 2022 ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ስምምዕ ፈሪሞም። ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ጀነራል ታደሰ ወረደን፡ ኣላዘብቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝተረኽብሉ ነቲ ስምምዕ ኣብ ዝፈረሙሉ ​​እዋን፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ንምትግባር ድልዋት ምዃኖም ገሊጾም። እዚ ስምምዕ ኣብ ዘይተገደበ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ሓለዋ ድሕነት ሰላማውያን ዜጋታት፣ ምፍታሕ ዕጥቅን ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ምርግጋፅን ዘኽእል ርኡይ ስጉምቲ ምዃኑ ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ተዛሪቡ። ሎሚ ዝተኻየደ ምፍርራም ነቲ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዓሰርተው ክልተ ወሰንቲ ጉዳያት ዝሓዘን ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኸተመን ስምምዕ ንምትግባር መንገዲ ከምዝኸፍት ይእመን። ካብ ሰኑይ 28 ጥቅምቲ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ጀሚሩ ኣብ ናይሮቢ ብዕጹው ክካየድ ዝቐነየ ዝርርብ ንሰለስተ መዓልታት ክጸንሕ እኳ ተሓሲቡ እንተነበረ፡ ንተወሳኺ ክልተ መዓልታት ተናዊሑ ውጽኢቱ ድማ ሎሚ ቀዳም ዕላዊ ኮይኑ’ሎ። ነዚ ስዒቡ፡ ኣገልግሎት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ቀዳም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ መንግስትን ኣዘዝቲ ህወሓትን ዝተኸተመ ስምምዕ፡ ሰራዊት ፌደራል ናብ መቐለ ንምእታው ዝዓለመ ውጥን ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐ ገሊጹ። ማእከላይ ኮሜተ ህወሓት ብወገኑ፡ ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተፈረመ ሰነድ፡ ከምዝድግፎን ንተግባውነቱ ብግቡእ ከምዝፍጽፍን ንህብናን ንማሕበረሰብ ዓለምን የፍልጥ ክብል ኣፍሊጡ። 23 ጥቅምቲ 2015 ኣብ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ። እቲ ስምምዕ፡ ቀዋሚ ምቁራጽ ተኹሲ፡ ሓገዝን መሰረታዊ ኣገልግሎታትን፡ ከምኡ’ውን ምፍታሕ ኣጽዋር ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ነቲ ደማዊ ኲናት ንምውዳእ ዘጠቓልል እዩ። እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ሎሚ ቀዳም ኣብ ሰዓታት ንጉሆ ብወግዒ ክፍረም ዝተባህለ ሰነድ ድሕሪ ናይ ሰዓታት ምድንጓይ ኣጋ ግዘ ሰዓት 12፡30 ዝተፈረመ ኮይኑ፡ ኣተሓበበርቲ እቲ መድረኽ ይቕረታ ካብ ምሕታት ብዝሰገረ ዝገለፅዎ ምኽንያት ኣይነበረን። እዚ ኣብ ናይሮቢ ዝተኻየደ ምፍርራም ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ፡ ኣብ ዝርዝር ኣተገባብራ ናይቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኸተመ ሓፈሻዊ ስምምዕ ዘተኮረ ምንባሩ ተፈሊጡ’ሎ። ነቲ ስምምዕ ዝፈረሙ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ኣብ ናይሮቢ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ንምትግባር ድልውነቶም ኣረጋጊፆም ኣለዉ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyj84ywrkpwo"} {"headline":"ተዛተይቲ ትግራይ፡ ደንጉዩ ኣብ ዝተውሃበ መግለጺኦም እንታይ ኢሎም?","content":"ነቲ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ኣብ ትግራይ ድማ ብፍላይ፡ ጠንቂ ሞት፡ ምፍንቓልን ዕንወትን ኰይኑ ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ብሰላም ንምፍታሕ፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ተማእዚኑ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ፕሪቶርያ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ዝተኻየደ ዘተ ሰላም፡ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻእ ዝዀነ ተስፋ ዝተረኸበሉ እዩ። ኣብቲ ዘተ፡ ናብታ ንኽልተ ዓመት መሰረታዊ ቀረባት ተሓሪማ፡ ሚልዮናት ነበርታ ንከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝተቓልዑላ ትግራይ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክምለሱ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱን ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዋግኡ ዝጸንሑ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ፈቲሖም ናብ ሰላማዊ ናብራኦም ዝምለሱሉ ኵነታት ምፍጣር ዝርከቡዎም ነጥብታት ዝሓዘ ስምምዕ ተፈሪሙ። ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ እዚ ስምምዕ፡ ኣብ ናይሮቢ ዝተራኸቡ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ክልቲኦም ወገናት ድማ ኣብ ዝርዝር ኣፈጻጽማ እቲ ውዕል ሰላም ተመያይጦም ኣብ ዝርዝር መስርሕ ትግባረኡ ተፈራሪሞም እዮም። ኣብዚ መንጐ ብፍላይ ብወገን ተጋሩ ኣብቲ ስምምዕ ዝተፈላለየ ሕቶታት ክለዓሉ ዝጸንሑ ኰይኖም፡ ተዛተይቲ መንግስቲ እቲ ክልል ኣብዚ ዛዕባ ዝርዝር መብርሂ ኣይሃቡን ተባሂሎም ክውቀሱ ጸኒሖም እዮም። ብሰንበት 20 ሕዳር ግና ንሓይልታት ትግራይ ብምውካል ኣብቲ ዘተሰላም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ዝተሳተፉ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን ኣብ መራኸቢ ብዙሃን እቲ ክልል ዝርዝር መብርሂ ሂቦም። ኣብ ፕሪቶርያን ናይሮቢን ዝተኻየዱ ዘተታት፡ ዋላ'ኳ ብስምምዕ ዝተዛዘሙ እንተዀኑ፡ ካብቲ ኣብ ፈለማ ዝተታሕዘሎም ሰሌዳ ግዜ ዝነውሐ እዮም ወሲዶም። ንጕጅለ ተዛተይቲ ኢትዮጵያ ዝመርሐ፡ ኣማኻሪ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ መንቀሊ እቲ ምድንጓይ ኣብ መንጐ እቶም ኣብ ደማዊ ኲናት ዝጸንሑ ወገናት መንፈስ ዘይምትእምማን ምንባሩ ከምዝዀነ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ። እቲ ዝርርብ ነቲ ልሙድ መስርሕ ዓለምለኻዊ መምዘኒታት ዘተ ሰላም ዘማልአ ከምዘይነበረ ዝገልጽ ጀነራል ጻድቃን ብወገኑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጐድኒ ጐድኒ እቲ ልዘብ፡ ንከተማ መቐለ ተቘጻጺሩ እቲ ናይ ዘተ ኣገባብ ንምልዋጥ ከምዝፈተነን፡ ሓይልታቶም ብወገኖም ነዚ ደው ንምባል ከቢድ ኲናት ከምዘካየዱን ተዛሪቡ። “ኣብተን ዝጸናሕናለን [ኣብ ፕሪቶርያ] ዓሰርተ መዓልቲ እውን፡ ቀልጢፍካ መቐለ ሒዝካ፡ ሓደ ሓቂ ኣብቲ መሬት ፈጢርካ፡ እቲ ናይ ፕሪቶርያ ዘረባ ምንም ዋጋ ዘይብሉ ንምግባር ዘይተገበረ ነገር የለን። ከቢድ ምጭፍጫፍ እዩ ተኻይዱ። ብኻልእ ወገን ድማ እቲ ኢንተርናሽናል ኮምዩኒቲ መቐለ እንተለቒቕኩም እቲ ድርድር ባህርያቱ ክቕይር እዩ ዝብል ነገር ይነግሩና ነይሮም። ንሕና እውን ባህሪኡ ከምዝቕይር ንፈልጥ ኔርና። እቲ ሰራዊት እውን እዚ ይፈልጥ ነይሩ። ኣብቲ ዓሰርተ መዓልታት ብምሉእ ዓቕሞም ከቢድ ምጭፍጫፍ ገይሮም።” እንተዀነ ሓይልታቶም ብዘካየድዎ ብርቱዕ “ምክልኻልን ጸቕጢ ማሕበረሰብ ዓለምን” እቶም ወገናት ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ምኽኣሎም ገሊጹ። መራሒ ተዛይተይቲ ጕጅለ ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ ኣብ ከይዲ እቲ ዘተ፡ ኣብ ደረጃ ተጻብኦ ደው ምባል ክለዓሉ ዘይግበኦም ኣጀንዳታት ብኽልቲኡ ወገን ይለዓሉ ብምንባሮም፡ እቲ ከይዲ ክጓተት ከምዝገበሮ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት ሓቢሩ ነይሩ። “እቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ተፈናቒሎም ዝነበሩ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ህዝቢ እንደገና ብሚልዮናት ኰይኖም ክፈናቐሉ ተገይሩ። ዳርጋ እቲ ኲናት ምክያዱ ብጣዕሚ ኣሰቃቒ ዝዀነ ንህዝቢ ክንከላኸል ዘይንኽእለሉ ውግእ እናዀነ ናይ ምኻድ ነገር መጺኡ” ዝብል ጀነራል ጻድቃን፡ ህዝቢ ንምድሓን ነቲ ኲናት ዝመርሕ ማእከላይ ኮማንድ፡ እቲ ኲናት ብቕልጡፍ ደው ክብል ከምዘለዎ መደብ ሒዞም ናብቲ ዘተ ከምዘቕንዑ ይዛረብ። በዚ መሰረት ዋላ'ኳ ኵሎም ድልየታቶም ዘማልአ እንተዘይነበረ፡ መሰረታዊ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ዕላማኦም ግን ከምዘዐወቱ ገሊጹ። “ሓደ ተዅሲ ደው ኢሉ። ተዅሲ ደው ክነብል ዝደለናሉ ዋና ምኽንያት ናብ ዝርርብ ክንኣቱ እዩ። ህዝብና ካብ ሞት ክተርፍ ምእንቲ እዩ። ሓገዝ ምእንቲ ክኣትዎ እዩ። ተዓጽዮም ዝነበሩ ኣገልግሎቱ ክኽፈቱ ምእንቲ እዩ... ቀደሙ እውን ብፖለቲካዊ ድርድር ክፍታሕ ዝነበሮ ጸገም ናብ መስርሕ ፖለቲካዊ ድርድር ክኣቱ ንምኽኣል እዩ። ስለዚ ዋላ እቲ ኣካይዳ ግልባጥ እንተነበረ፡ ተጻባእቲ ሓይልታት ተዅሲ ደው ከብሉ ተሰማሚዕና።” ብተወሳኺ፡ እቶም ጸገማት ብመሰረት ሕገመንግስቲ ክፍትሑ ዝተበጽሐ ስምምዕ ካልእ ውጽኢት ከምዝዀነ ሓቢሩ። ኣቶ ጌታቸው ረዳ እቲ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስጕምቲ፡ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ጸገማት ሓዊሱ፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምንዳይ ሓጋዚ ከምዝዀነ ገሊጹ። “ተዅሲ ደው ኢሉ ኣሎ። ተወሳኺ ምፍንቓል፡ ተወሳኺ ስቓይ ብዝተወሰነ ደረጃ ኣትሪፍና ኣለና ማለት እዩ። እዚ ምግባር ንባዕሉ ሓደ ነገር እዩ። ህዝብና ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ዝርካቡ ምህርቲ ክእክብ ዕድል ረኺቡ ኣሎ ማለት እዩ። ብጥምየትን ሰኣን ኣፋውስን ክጥፍእ ዝኽእል ዝነበረ ህዝብና ብዝተወሰነ ደረጃ ፍታሕ ክረክብ ዝኽእለሉ ዕድል ተፈጢሩ ኣሎ። ልዕሊ ዅሉ ግን እቲ ክንኣትዎ ዝበልናዮ ፖለቲካዊ ከይዲ ብቕንዕና እንተ ተተግቢሩ እተን ነዚ ጸገም ክፍጠር ምኽንያት ዝዀና ነገራት ምሉእ ብምሉእ ወይ መብዛሕትኡ ንምእላይ ዘኽእለና ዕድል ተፈጢሩ ኣሎ።” ብምባል ክልቲኦም ወገናት ንተፈጻምነቱ ብቕንዕና ክሰርሑ ከምዘለዎም የረድእ። ጀነራል ጻድቃን ብወገኑ እቲ ስምምዕ፡ እታ ሃገር ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ጸገም ዘውጽእ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝገልጽ። “ኢትዮጵያ ኣትያቶ ካብ ዘላ ቅልውላው ናይ ምንጋፍ ዓቕሚ ኣለዎ። ሓደ ዓቢይ ጸጋ እዩ እዚ። ኣብታ ሃገር በጺሑ ዘሎ፡ ናዓና እውን ዝጸሉ፡ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቅልውላው ዓቢይ ጸገም እዩ። ኣብ ጉዳይ ተጋሩ ምስ እንርኢ ድማ ተኣኻኺቦም ዝነበሩ ጸላእትና ናይ ምብታን ዓቕሚ ኣለዎ። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ይዅን ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣሰላልፋ ሓይልታት ናይ ምቕያር ብቕዓት ኣለዎ፤ እንተተተግቢሩ።” “ካብቶም ጸገማት እቶም ጸጋታት ይረኣዩኒ” ዝብል ጀነራል ጻድቃን፡ ብዙሓት ጸገማት ብሕገ መንግስቲ ክፍትሑ ዕድል ዝህብ ከምዝዀነ እውን እምነቱ ገሊጹ። ነቲ ዘተ ሰላም ኣመልኪቶም መግለጺ ዝሃቡ ላዕለዎት ተዛተይቲ ትግራይ፡ ካብቶም ተስፋታት ብተወሳኺ፡ ነቲ ተስፋ ከምክኑ ዝኽእሉ ሰግኣታት ከምዘለዉ ብምግላጽ ስክፍታታቶም ኣካፊሎም። ክልቲኦም ወከልቲ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፡ ኣብዚ እቲ ቀንዲ ፈተና ምትእትታው ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ጐረባብቲ ክልላትን ምዃኑ እውን ሓቢሮም። ብመሰረት እቲ ኣብ ናይሮቢ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሓይልታት ወጻእን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዘይኾኑ ዕጡቓትን ካብ ትግራይ ምውጻእ ምስ ምፍታሕ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይ ማዕረ ማዕረ ክፍጽም እዩ ዘለዎ። ኰይኑ ግን ሐዚ እውን ሰራዊት ኤርትራ \"ቅትለት፡ ምጭዋይ ዝምታን\" ዝርከብዎም ገበናት ይፍጽም ከምዘሎ ሰብ መዚ ትግራይ ይኸሱ። ዛጊት ብዛዕባ እቲ ክሲ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተወሃበ ወግዓዊ ምላሽ የለን። “ማሕበረሰብ ዓለም’ ዘ ቢግ ኤለፋንት ኢን ዘ ሩም’ ዝብሎ፡ ጸገም ክፈጥር ዝኽእል፡ ዓቢይ ሓርማዝ ዝብሎ፡ ሰራዊት ኤርትራ እዩ። ኣብ ትግራይ ይዅን ካልእ ከባቢ ዝህልዎ ምንቅስቓስ ዓንቃፊ ተራ ክህልዎ እዩ። ኣብ ዓፋር ሚልሻ፡ ኣብ ኣምሓራ ፍሉይ ሓይሊ ከሰልጥን ይንቀሳቐስ እዩ። ናይ ኢትዮጵያ ሰላም ኣይንታዩን፡” ክብል ይወቅስ። ጀነራል ጻድቃን ብተመሳሳሊ፡ “በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ቅልውላው ዝኸሰበ ንሱ [መንግስቲ ኤርትራ] እዩ። ካልእ ኵሉ ከሲሩ እዩ፡\" ብምባል ዝዓበየ ፈተና እቲ ዘተ ሰላም ካብ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝዀነ ይዛረብ። ኣብ መንጐ እቶም ንኽልተ ዓመት ኣብ ደማዊ ኲናት ዝጸንሑ ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት ዘሎ ዓሚቝ ምጥርጣር እውን ካልእ ፈተና ከምዝዀነ እዮም ክልቲኦም ላዕለዎት ሰብመዚ ትግራይ ገሊጾም ዘለዉ። ጀነራል ጻድቃን ነዚ እንክገልጽ፡ “ምስ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ክፍጠር ዝኽእል ጸገም መብዛሕትኡ፡ ካብቲ ዓሚቝ ምጥርጣር እናተበገስካ፡ ግዜ ወሲድካ ክፍትሑ ዝኽእሉ ነገራት እውን፡ ኣብ ልዕሊ ምጥርጣር ምጥርጣር እናፈጠሩ፡ ብንኣሽቱ ምኽንያታት ናብ ጸገም ዝእተወሉ ነገር ክመጽእ ይኽእል እዩ። “ሓደ ክፍለጥ ዘለዎ ነገር ክልተ ዓመት ከቢድ ውግእ እናተዋጋእና ጸኒሕና፡ ናብ ሰላም ክትኣቱ ከለኻ ብሓጺር ግዜ ልሙጽ ኰይኑ ዝኸይድ ኣይኰነን። ናይ ስግግር ግዜ የድልዮ እዩ። ናይ ስግግር ግዜ ሓርፋፍ እዩ፡” ይብል። ንሰላም ዘሎ ኣረኣእያ ድማ ካልእ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝቐረበ ስክፍታ እዩ። “ሰላም ከም ስትራተጂካዊ ምርጫና ዲና ወይስ ከም ግዜ መግዝኢ ኢና ወሲድናዮ?” ክብል ይሓትት። “እዚ ጉዳይ እዚ ታክቲካል እዩ። ቅሩብ መተንፈሲ ግዜ ረኺብና ብኻልእ ዙር ንምጥፋእ ዘኽእለና ዕድል ክንረክብ ዘኽእለና እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ዝዝውሮ እንተዀይኑ፡ ካባና መጸ ካብ ጻላኢ መጸ፡ ዘምጽኦ ሓደጋ እንተዘይኰይኑ ረብሓ ክህሉ ኣይክእልን” ኢሉ። ካብዚ ብተወሳኺ ነቲ ዘተ ሰላም ከዕንቅፉ ዝኽእሉ ውሽጣዊ ኣካላት ከምዘለዉ ዝሓበሩ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን፡ ዛጊት ዘሎ ሓፈሻዊ ከይዲ ግን ተስፋ ዝህብ ከምዝዀነ ገሊጾም።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cl7qe0jzjedo"} {"headline":"ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ፓርላማ ዘልዓሎም ነጥብታት እንታይ'ዮም?","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ ሰሉስ 15 ሕዳር 2022 ንባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሰላምን ብልጽግናን ንምዕቃብ ኲናት ደው ምባል እቲ እንኮ ኣማራፂ ከምዝኾነ ተዛሪቡ። “ዘይውዳእ ኲናት ልክዕ ንማይ ብመንፊት ከም ማለት እዩ። እናተዋጋእካ ክትነብር ኣይትኽእልን ኢኻ። ሕማቕ ሰላም ወይ ጽቡቅ ኲናት ዝበሃል የለን። ዋላ እናተዓወትካ’ውን [ኲናት] ሕማቕ እዩ። ነቶም እንሓስቦም ነገራት ክነዐውቶም ኣይንኽእልን ኢና” ኢሉ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ መንጐ ፌደራል መንግስትን ህወሓትን ኣብ ፕሪቶርያ ንዝተኸተመ ስምምዕ ቀዋሚ ምቁራጽ ግጭት ብዝምልከት፡ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝቐረበሉ ሕቶታት መልሲ ኣብ ዝሃበሉ እዋን'ዩ ነቲ መግለጺ ሂቡ። \"ካብ ሰላም እትረብሕ ኢትዮጵያ እያ። ሰብ ይቕተል፣ ዶላር እናውፃእካን ሰባት እናተቐተሉን ዝርከብ ረብሓ ይዅን ጽቡቕ ነገር የለን\" ክብል’ውን ተሰሚዑ። ብፍላይ ህወሓት ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ግብረሽበራዊ ተባሂሉ እናሃለወ ብኸመይ ዝርርብ ክካየድ ክኢሉ ዝብል ሕቶ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ቀሪቡሉ ነይሩ። “ምስ ግብረሽበራዊ ምዝርራብ ዝኽልክል ኣዋጅ የለን። ንሰላምን ልምዓትን ኢትዮጵያ፡ ንሃገራዊ ረብሓ እንተዀይኑ፡ ድርድርን ዘተን ክንገብር ኢና\" ዝብል መልሲ ሂቡ’ሎ። ይዅን እምበር፡ ነቲ ስምምዕ ሰላም ዘይደልዩ ወገናት ከምዘለዉ ብምጥቃስ፡ \"እቶም ሰላም ዝጸልኡ ነጋዶ ኲናት እዮም\" ክብል ነቒፉ። ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍራም ብሰንኪ ዘይምትእምማን ክተዓናቐፍ ከምዝኽእል ዝሓበረ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ እቲ ዝተፈጸመ ስምምዕ ንኽፀንዕ ቃል ብምዕቃብን ድጋፍ ብምሃብን ምስራሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊፁ። ኣብ ርእሲ'ዚ ምስቲ ስምምዕ ተተሓሒዙ ንቀዳማይ ሚኒስተር ዝቐረበሉ ሕቶ፡ ጉዳይ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ክልል ኣምሓራ ዝርከብ ምዕራብ ትግራይ ወይ ወልቃይት እዩ። ጉዳይ ወልቃይት ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ብስርዓትን ብሰላም ክፍታሕ ከምዘለዎ’ዩ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓቢሩ። \"ብሕግን ስርዓትን እንተፈጺምናዮ እዩ ንወልቃይት ዝጠቅም። ንኣምሓራ ዘርብሕ። ትግራይ’ውን ይረብሕ። ብሕግን ስርዓትን ንፈጽሞ ንዝብል ሓሳብ ምስ ብዙሕ ሽርሕታት ምትእስሳር ኣድላዪ ኣይኰነን። ኣብቲ ከባቢ ሕቶ ካብ ዝለዓል ነዊሕ ኰይኑ ኣሎ። ቅድሚ ሎሚ ኮሚሽን ዘጣየሽና’ውን ንዕኡ ብዝብል’ዩ። ሽዑ ኮነ ሎሚ መርገፂና ብመስርሕ ሕጊ ብዘተ ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል እዩ\" ኢሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ብዘይካ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ካልኦት ከባቢታት’ውን ናይ ‘ይግብኣኒ’ ሕቶታት ከምዘለዉ ብምዝኻኻር፡ ብሓይልን ብጉልበትን ዘይኮነስ ብሕግን ስርዓትን ክፍታሕ ከምዘለዎ ኣስሚሩሉ። “ወልቃይት ጥራይ ኣይኮነን፤ ኦሮምያን ኣምሓራን ኣብ ሰሜን ሽዋ ሕቶ ኣለዎም። እሞ ደኣ እዚኸ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ድዩ ክኸይድ ዘለዎ? ሲዳማን ወላይታን ኣብ ብላቴ ሕቶ ኣለዎም። ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ድዩ ክኸይድ ዘለዎ? [ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ] ዝተሰማማዕናሉ ብመሰረት ሕግን ስርዓትን ኢትዮጵያ ይፈጸም ዝብል እዩ።\" እቲ ግጭት ብሓይልን ጥራሕ ንምቍራጽ ዝግበር ጻዕሪ ነባሪ ሰላም ከምዘየምጽእ ብምሕባር፡ ጉዳይ ወልቃይት ድማ ንህዝቢ ብዘማእኸለን ብመሰረት ሕግን ስርዓትን ከምዝፍታሕ ተዛሪቡ። \"ህወሓት ቅድሚ ሕገ-መንግስቲ እዩ ብሓይሊ ወሲድዎ፤ ሎሚ ድማ ንሕና ብሓይሊ ወሲድናዮ ኣለና . . . [እንተተባሂሉ] ኣብቲ ከባቢ ንመዋእል ዝፀንሕ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክነውፍር ኣይንኽእልን ኢና። ብወተሃደራዊ ሓይሊ ይፈታሕ እንተተባሂሉ ዘላቒ ኣይከውንን’ዩ” ክብል ኣረዲኡ። መንግስቲ በቲ ኲናት ንዝተሃስዩ ከባቢታት ብዝምልከት ሰለስተ ስጕምትታት ይወስድ ከምዘሎ ገሊጹ። ሰብኣዊ ሓገዝ ብምቕራብ፡ መሰረተ ልምዓት ብምህናፅን ተመዛበልቲ ብምምላስን ከምዝፍጸም ድማ ጠቒሱ። ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ዝተቛረጸሎም ኣብ ከም በዓል ሰቆጣ፡ ኣላማጣን ኮሩምን ዝበሉ ከባብታት ናብ ንቡር ከምዝተመልሰ ብምግላፅ \"ሰላም ካብ ዝብሃል ሰሙን እኳ ኣብ ዘይመልእ ኢና ቅልጡፍ መልሲ ሂብና\" ኢሉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ንኣተገባብራን ትሕዝቶን እቲ ስምምዕ ብዝምልከት ካብ ዝሃቦ መልስን መብርሂን ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ ኣብ መዳያት ዲፕሎማሲ፡ ቁጠባ፡ ወፍርን ናህሪ ዋጋታትን ተሓቲቱ፡ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ኲናት ሓድሕድ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ካብ ዝለዓል ኣትሒዙ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፡ ዓፋርን ትግራይን ልዕሊ 13 ሚልዮን ዝቑፀሩ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ዜጋታት ኣለው። ብፍላይ ኣብታ ኣብ ምሉእ ዕጽዋን ከበባን ዝጸንሐት ትግራይ፡ ኣስታት 6 ሚልዮን ህዝቢ ናይ መግቢ ሓገዝ ከምዘድልዮ ትካላት ሰብኣዊ ረዲኤት ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም። ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ‘ሸኔ’ ክብል ዝፅውዖ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ድማ፡ ብሽበራ ዝመፅእ ሓርነትን ዲሞክራስን ከምዘየለ ብምሕባር፡ እቲ ጕጅለ ዕጥቁ እንተፈቲሑ መንግስቲ ክዘራረብ ድሉው ምዃኑ ኣፍሊጡ። \"ንጹሃት ሰባት ብምቕታልን መካይን ብምቅፃልን ዝርከብ ረብሓን መኽሰብን የለን\" ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ \"ሸኔ፡ ንኦሮሞ ደው ኢለ ዝብል ግን ድማ ንኦሮሞን ኦሮምያን ዘፍርስን ድልየቱ ዘይፍለጥን እዩ\" ክብል ገሊፅዎ። ይዅን እምበር ኣፅዋር ካብ ምጥቃም ብምዕቃብ ንዝርርብ ድልዋት እንተኾይኖም እቲ ማዕጾ ክፉት ምዃኑ ኣስሚሩሉ። ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይኣትዉ ዝተኸልከሉ ዜጋታት፡ ከምኡ እውን ኣብ ስርዓት ፍትሒ እታ ሃገር ዘሎ ክፍተት፡ ብልሽውናን ስርቅን ብዝምልከት ንዝቐረቡ ሕቶታት'ውን ምላሽ ሂቡ'ሎ። ምንቅስቓስ ዜጋታት ዝተገደበ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምሽባርን ንምዝራግን ሰፊሕ ውጥን ስለዝነበረ፡ ንሰላምን ድሕነትን ብዝብል ምክልባት እንተተፈጠረ “ንሃገር ብዝብል ዝተገበረ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ” ኢሉ። ኣብታ ሃገር ሰፊሕ ተግባራት ስርቂ ከምኡ’ውን ኣብ ስርዓተ ፍትሒ ክፍተት ከምዘሎ ዝተኣመነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፡ \"ጉጅለታት ቴሌግራም [ማሕበራዊ መራኸቢ] ከፊቶም ጉቦ ዝቕበሉ ዳያኑ ኣለዉ። ‘ንእከለ ኣሲረ’፤ ‘ንእከለ ኣፍቲሐዮ’ ይብሉ\" ብምባል ናይ ዳግመ ምምሕያሽ ስርሓት ብዝለዓለ ብርኪ ክስራሕ ከምዘለዎ ሓቢሩ። ዶክተር ኣቢይ፡ ቁጠባ ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝዓበየ ኢኮኖሚ ኰይኑ ምህላዉ ኣብቲ ባይቶ ተዛሪቡ’ሎ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ሃገራት ትሕተ-ሰሃራ ብዕብየት ቁጠባ ሳልሳይ ደረጃ ከምዝዀነት ንመረዳእታ ባንኪ ዓለም ብምውካስ ንኣባላት እቲ ባይቶ ኣብሪሁ። ንሱ ከምዝበሎ፡ ቁጠባ ኢትዮጵያ ኣብ መዛዘሚ በጀት 2014 [ግእዝ] 6.16 ትሪልዮን ብር (127.6 ቢልዮን ዶላር) ዝበፅሐ ኮይኑ፡ ንነፍሲ ​​ወከፍ ሰብ ዝረኽቦ እቶት 1212 ዶላር ኣትዩ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓፈሻዊ ውሽጣዊ ምህርቲ (ጂ.ዲ.ፒ - GDP) 6.4 ሚእታዊ ተመዝጊቡ ከምዝነበረን፡ እዚ ዘሎ ኵነታት ሰላም ክቕፅል እንተኽኢሉ ናብ 7.5 ሚእታዊ ክብ ክብል ትልሚ ከምዘሎን ወሲኹ ገሊፁ። እቲ ሓበሬታ ካብ ባንኪ ዓለም ዝተረኸበ ምዃኑ ብምሕባር ድማ መንግስቱ ምስዚ ኣሃዝ ከምዘይሰማማዕ ኣፍሊጡ። ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ዘይወግዓዊ ምንቅስቓስ ንግድን ሃብትን ኣካል እቲ ቁጠባዊ ሃብቲ ኮይኑ ክምዝገብ ዘይምኽኣሉ ከም ምኽንያት ብምጥቃስ እዩ ነቲ ናይ ባንኪ ዓለም መረዳእታ ከምዘይቕበሎ ዝተዛረበ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ቁጠባ ኢትዮጵያ ሰብ ዝሰርሖን ተፈጥሮኣዊን ብድሆታት ከምዘጋጠምዎ ዝሓበረ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ውሽጣዊ ኲናት፡ ኲናት ሩስያን ዩክረይንን፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ድርቅን ብኣብነት ኣቐሚጡ። እዚ ዅሉ ብድሆታት ነቲ ቍጠባ ዋላ'ኳ እንተተፀዓኖ፡ “ብቐሊሉ ዘይስበር ምዃኑ ዘርእይ እዩ” ኢሉ። ካብቶም ዕብየት ዘርኣዩ ዓውድታት እቲ ሓደ ዝኾነ ሕርሻ፡ 6.1 ሚእታዊት ዕብየት ከምዘርኣየ'ውን ጠቒሱ። ሕርሻ ስርናይ ልዑል ዘተባብዕ ውፅኢት ይረኣዮ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ብዙሕ ቆላሕታ ኣብ ዘይወሃቦ ምህርቲ ሩዝ ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሉፅ ውፅኢት ከምዝተርኣየ ሓቢሩ። ኣብታ ሃገር ዘለዉ ዓውዲ ማኑፋክቸሪን (ምፍራይ)፡ ኣገልግሎትን ፋይናንስን ዓቢይ ምዕባለ ከምዝተረኣየ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ንኣባላት ባይቶ ተዛሪቡ። ሰሉስ ኣብ ዝወዓለ ኣኼባ ኣባላት ባይቶ ካብ ዝተልዓሉ ሕቶታት እቲ ሓደ፡ እታ ሃገር ኣጋጢምዋ ዘሎ ናህሪ ዋጋታት ዝምልከት እዩ። ነቶም ሕቶታት ምላሽ ዝሃበ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነት ብዙሓት ሃገራት ብናህሪ ዋጋታት ይፍተና ከምዘለዋ ብምሕባር፡ ነዚ ድማ ዘይምምጥጣን ጠለብን ቀረብን፡ ከምኡ'ውን ብሰንኪ ኲናት ዘጋጠመ ምትእጉጓል ቀረብ ከም ምኽንያት ኣቕሪቡ። ናህሪ ዋጋታት ‘ንማክሮ’ ቍጠባ ብድሆ እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ግን እቲ ናህሪ ምንቁልቋል ከምዘርኣየ ገሊጹ። ነዚ ድማ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ገለ ስጕምትታት ከምዝወሰደ ብምሕባር፡ ጣልቃ ብምእታው ፍርያት ምቕራብን ሓረስቶት ናብ ኣዲስ ኣበባ መጺኦም ዕዳጋ ሰንበት ከካይዱ ምግባርን ኣብ ምርግጋእ ዕዳጋ ተራ ከምዝተጻወተ ኣፍሊጡ። ብተወሳኺ እታ ሃገር ንልዕሊ 9.5 ሚልዮን ተመሃሮ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ እናመገበት ትምህር ከምዘላ ሓቢሩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድማ 11 መግቢ ዝቐርበሎም ቦታታት ብምድላው፡ ንልዕሊ 30 ሽሕ ጽጉማት መግቢ ናይ ምክፋል ስርሓት ይካየዱ ከምዘለዉ’ውን ተዛሪቡ’ሎ። ኣብ ቀረባ እዋን ዝተረኸበ መረዳእታ ገምጋም ትካል ገንዘብ ዓለምን ባንኪ ዓለምን ብምጥቃስ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ናህሪ ዋጋታት ብ2 ሚእታዊት ክጐድል ምዃኑ ኣተንቢሁ። ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን 38 ዓይነት ኣቑሑት ናብታ ሃገር ንምእታው ዝቐርብ ሸርፊ ዶላር ምእጋዳ ይዝከር። እታ ሃገር ብብሄራዊ ባንክ ኣቢላ 18 ቢልዮን ዶላር ከም እተውፅእን እዚ ድማ ንሽዱሽተ ሽሕ ዓይነት ኣቑሑት ከምዝውዕል መብርሂ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ የመልክት። እቶም ዝተኸልከሉ 38 ዓይነታት ኣቝሑት ከኣ ልዕሊ 1 ቢልዮን ዶላር ከምዝውድኡን እዚ ድማ ምስ ወጻኢታት ድኹዒ ማዕረ ምዃኑን ብምንፅፃር ኣረዲኡ። \"እዞም ኣቑሑት ከም መካይን፡ ዊስኪን ጸጕሪን ዘጠቓልሉ ኮይኖም፡ ኣብ ትሕቲ ህሉው ጸቕጢ እታ ሃገር ካብ ደገ እንተዘይኣተዉ’ውን ጉድኣት ስለዘይብሎም ተኣጊዶም ኣለዉ\" ኢሉ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4n2ll2m1w2o"} {"headline":"ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ከተማ ነቀምቴ ከቢድ ውግእ ከምዝኸፈተ ነበርቲ ሓቢሮም","content":"ኣብታ ካብ ኣዲስ ኣበባ ብሸነኽ ምዕራብ 330 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ነቀምቴ፡ ምስ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ከቢድ ተዅሲ ከምዝተወልዐ ምንጭታት ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም። ዕጡቓት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ሎሚ ንግሆ ናብታ ከተማ ብምእታው ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ተዅሲ ከምዝኸፈቱ ሓደ ምእንቲ ድሕነቱ ስሙ ከይግለጽ ዝሓተተ ነባሪ ንቢቢሲ ሓቢሩ። \"ሎሚ [ሰንበት] ወጋሕታ ዝዀነ ሰብ ምንቅስቓስ ከይጀመረ ናብታ ከተማ ኣትዮም። ኣብ ማእከል ከተማ ብርቱዕ ምልውዋጥ ተዅሲ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ገዛና ኮፍ ኢልና ተዅሲ ንሰምዕ ኣለና” ይብል እቲ ነባሪ። ብመሰረት’ቶም ምንጭታት ቢቢሲ፡ እቲ ተዅሲ ኣብ ከባቢ ወተሃደራዊ መዓስከር እቲ ኣብታ ከተማ ዝዓስከረ ሰራዊት እዩ ተኸፊቱ ዘሎ። ካልእ ነባሪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ድማ፡ ኣብታ ከተማ ዝዀነ ምንቅስቓስ ከምዘየሎን፡ እቶም ዕጡቓት ናብታ ከተማ ኣትዮም ተዅሲ ከምዝኸፈቱን ሓቢሩ። ብወገን መንግስቲ ዛጊት ዝተባህለ ነገር የለን። ቢቢሲ ንከንቲባን ሓለፍቲ ጸጥታን እታ ከተማ ንምዝርራብ ዝገበሮ ፈተነታት ኣይሰመረን። መሰኻኽር ዓይኒን ግዳያትን ንቢቢሲ ከምዝገለጽዎ፡ እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምዕራብ ወለጋ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ቢላ ንዝኣተዉ ዕጡቓት ዒላማ ብምግባር፡ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከምዝሞቱ ምስ ተነግረ እዩ። ኣብዚ ሰሙን'ዚ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ልዕሊ ሸውዓተ ወረዳታት ምዕራብ ወለጋ ከምዝተቘጻጸረ ገሊጹ። ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ወሃቢ ቃል እቲ ሰራዊት፡ ኦዳ ተርቢ፡ ሰራዊቶም ነዚ ስርሒት ከምዝቕጽለሉን፡ ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ወተሃደራዊ መዓስከራት ዒላማ ከምዝገብርን ንቢቢሲ ገሊጹ። ኣብ ከም በዓል ማንዲ ዝኣመሰላ፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ዝርከባ ዝተቘጻጸርወን ከተማታት፡ ባንክታት ተዘሚተን ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ከም ዝዓነዋን ዝግለጽ ኮይኑ፡ እተ ጕጅለ ግን ነቲ ክሲ ይነጽጎ። \"ወተሃደራዊ ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ምምሕዳራዊ ኣብያተ ጽሕፈታት ዓስኪሩ ጸኒሑ። ከምኡ'ውን ካቢነታት መንግስቲ ምስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ኣብኡ ክነብሩ ጸኒሖም እዮም። ሓይልታትና ዕርዶም ክሰብሩ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን፡ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ክዓኑ ይኽእል’ዩ፡\" ክብል ኦዳ ተርቢ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ምስ ሓይልታት ሰራዊት ኦነግ ክቃለስ ጸኒሑ እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን መንግስቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተጠቒሙ ኣብ ዞባታት ምዕራብ ሽዋ፡ ምብራቕ ሽዋን ወለጋን ንዝርከቡ ዕጡቓት እቲ ጕጅለ ዒላማ ክገብር፡ ሰላማውያን ሰባት ቈሲሎምን ሞይቶምን ይብሉ ስድራቤታት ግዳያት። ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ እቲ ውድብ ድሕሪ ኣስታት 27 ዓመታት ኣብ 2018  ካብ ስደት ናብ ሃገር ምስ ተመልሰ ቅድሚ ምፍንጫሎም ወተሃደራዊ ክንፊ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ እዩ ነይሩ። ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ምስ ሓይልታት ትግራይ ወተሃደራዊ ምሕዝነት ፈጢሩ ነይሩ፤ እቲ ጕጅለ ኣብዚ ሰሙን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ስምምዕ ሰላም ፈሪሙ። እንተዀነ፡ ብመሰረት ሓድሽ ስምምዕ፡ ህወሓት ብዝዀነ ይዅን መንገዲ ኣብታ ሃገር ኣንጻር መንግስቲ ዝንቀሳቐሱ  ዕጡቓት ምድጋፍ ከቋርጹ እዮም። እዚ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዓመታት ክኸሶ ዝጸንሐ ተግባር እዩ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4n83yd5zg8o"} {"headline":"መጻኢ ዕድል ትግራይን ርክብ ህዝቢ ንህዝብን እንታይ ክኸውን ይኽእል?","content":"እቲ ኲናት፡ ብ24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ትግራይ ድሕሪ ምውልዑ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒሙ ህይወት ብዙሓት ሰባት በሊዑ፣ ሚልዮናት ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ኣመዛቢሉን ተጸበይቲ ረድኤት ክዀኑን ገይሩ’ዩ። ኣብቲ ብኲናት ዝተሃስየ ከባቢታት ሰሜን ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ምቁራጽ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ምቁራጽ ቀረባት ኣገልግሎት ሕክምና ከምኡ’ውን ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ ቴሌኮሙኒኬሽን፡ ባንክን ካልኦት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ብምህላዉ፡ኣብ ህይወት እቲ ህዝቢ ከቢድ ብድሆ ኣስዒቡ ኣሎ። ውድብ ሃገራትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዘውጽእዎ ጸብጻባት፡ ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ወገናት ከቢድ ግህሰት መሰላትን ቅትለትን ከም ዝፈጸሙ የመልክቱ። ካብዚ ወጻኢ፡እቲ ኲናት ካብ ዘስዓቦ ጉድኣት ሓደ፡ኣብ መንጎ ህዝብታት ዝነበረ ምትእስሳር ክልሕልሕን ክሕርፍፍን ከም ዝገበረ ካብ ዝተፈላለዩ ውድባት ይስማዕ። እዚ ደማዊ ኲናት ንከብቅዕ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶሪያ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ህወሓትን ድሕሪ ዝተኻየደ ልዝብ ሰላም ሓደ ስምምዕ ተፈሪሙ ኣሎ። በዚ ድማ በቲ ኲናት ዘስዓቦ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝተፈላለዩ ጻዕርታት ክግበር ምዃኑ ኣብቲ ስምምዕ ሰላም ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብ ቀጻሊ ኣብ ዝግበሩ ዝርርባት ድማ እዚ ጉዳይ ኣቓልቦ ክወሃቦ ምዃኑ ይእመን። ምስዚ ተኣሳሲሩ ብሰንኪ እቲ ኲናት ዘስዓበ ቓንዛን ጉድኣትን መጻኢ ዕድል ትግራይ እንታይ ይኸውን? ህዝቢ ትግራይ ከ፡ ቅድሚ እቲ ኲናትን ድሕሪኡን ዘለዎ ትዕዝብቲ፣ ኣፈላላይ ተፈጢሩ ድዩ? ግደ ህወሓትን መንግስትን እንታይ ክኸውን ይኽእል? ዝብሉ ሕቶታት ብሰፊሑ ይለዓሉ ኣለዉ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶርያ ንዓሰርተ መዓልታት ክካየድ ድሐሪ ዝጸንሐ ዘተ ሰላም፡ ብረቡዕ 23 ጥቅምቲ 2015 ፈላማይ ዜና ብስራት ሰላም ክስማዕ ገይሩ። በዚ መሰረት ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን ቀዋሚ ተኹሲ ደው ምባል ክግበር፡ ሓይልታት ትግራይ’ውን ዕጥቆም ክፈትሑ ተሰማሚዖም። ኣደ መንበር ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ፖለቲካዊ ውድባት ራሄል ባፌ (ዶ\/ር) \"ልዝብ ሰላም ልዕሊ ዝዀነ ነገር ነቲ ኲናት ጠጠው ከብሎ ኣለዎ” ትብል። ወሲኻ፡ \"ቅድሚ ኲናት፡ ብዙሕ ግዜ ናብ ዘተ ክመጽኡ ተሓቲቶም ፍቓደኛታት ከይኰኑ ጸኒሖም’ዮም። ሕጂ እዚ ናይ ክልቲኦም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ’ዩ። ድሕሪ ሕጂ ክኣ ህዝቢ ክውስን እዩ\" ኢላ። እታ ኣደ መንበር፡ ኣብዚ ኲናት ኣዝዩ ዝተጐድአ ህዝቢ ትግራይ “ከዕርፍ ኣለዎ፤ ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ዕጫኡ ኣብ ኢዱ እዩ ኢልና ንኽንገድፈሉ፡ ካብ ጸቕጥን ዓፈናን ናጻ ክኸውን ኣለዎ፡\" ክትብል ርእይቶኣ ሂባ። ሳራ ካሲዲ-ስዩም ኣብ ኣውስትራልያ እትነብር ኣብቲ ብደቀንስትዮ ዝምርሕ ብዛዕባ ኲናት መረዳእታ ንምፍጣር ዝነጥፍ ‘ኦምና’ ዝተባህለ ምንቅስቓስ ኣባል ኰይና ኣደታት ትግራይ ብንቡር ደቀን ክምግባ፡ ከጥቡዋ፡ ህጻናት ተመሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ተመሊሶም ክትርኢ ከም እትናፍቕ ትገልጽ። ጋዜጠኛን መስራቲት ጋዜጣ ኣዲስ ስታንዳርድን ጸዳለ ለማ፡ እቲ ውሳነ ናይ ህዝቢ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ርእይቶ ካብ ዘለዎም ሰባት ሓንቲ እያ። “ህወሓት ብኢትዮጵያውነት ዝኣምንን ነቲ ፈደሬሽን ዝድግፍን እዩ። እዚ ውሳነ ክውስን ዝኽእል ግን ሰልፊ ዘይኰነ ህዝቢ ትግራይ እዩ” ትብል። እቲ ህዝቢ ዝመረጾ ንኽገብር ሕገ መንግስታዊ መሰል ኣለዎ’ዩ እትብል ጸዳለ፡ “ሪፈረንደም ምሕታት ሕገ መንግስታዊ’ዩ፤ ህዝቢ ትግራይ ነዚ እንተደልዩ ህወሓት ክኽልክሎ ኣይክእልን” ክትብል ተረድእ። ራሄል [ዶ\/ር] ህወሓት ኲናት ጠጠው ብምባል ንልዕሊ 30 ዓመታት ካብ ዘመሓደሮ ክልል ካብ ስልጣን ክወርድ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለዋ። መንግስቲ’ውን እቲ ህዝቢ ዝደለዮ ንኽገብር ባይታ ከመቻችእ ይግባእ ትብል። “መንግስቲ መሰረታዊ ነገራት ኣማሊኡ፡ እቲ ሓላፍነት ንህዝቢ ትግራይ ክገድፈሉ ከም ዘለዎ ይኣምን። ህወሓት ከኣ ኢዱ ክህብ እንተዘይክኢሉ ካብቲ ከባቢ ይውጻእ።” እዚ ከመይ ክኸውን ይኽእል ንዝብል ሕቶ እንክትምልስ እታ ፖለቲከኛ፡ “ህዝቢ ትግራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ገይሩ፡ ከባቢኡ ብምምሕዳር፡ ዝጠቕሞ ውሳነ ንኽህብ” መንግስቲ ዝምችእ ኩነታት ከጣጥሕ ይኽእል እዩ ትብል። ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ክልተ ዓመት ዘቑጸረ ኲናት ብዛዕባ መጻኢኡ ዝምልከት ዘለዎ ኣረኣእያ ቀይሩ ድዩ ዝብል ሕቶ ዝቐረበላ ጋዜጠኛ ጸዳለ፡ ዘይከሓድ ሓቂ ከም ዘሎ ገሊጻ። \"ሰራዊት ኤርትራ ኣትዩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝገበሮ ብምርኣይ፡ ሰብ ከም ዘይብሎም ወይ ዝተደርበዩ ኰይኑ ክስምዖም ይኽእል እዩ። ስለዚ ኣብ ህንጸት ሃገር ኢትዮጵያ ዘለዎም መርገጽን እምነትን ከምቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝነበረ ክኸውን ኣይክእልን'ዩ፡” ትብል። ሓየሎም ዝተባህለ መንእሰይ ብወገኑ፡ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ክንሳ እታ ሃገር ምስ ግዳማዊ ሓይሊ ተሻሪኻ ከም ዝሃሰየታ ጠቒሱ፣ ሃገር ንምዃን ዝሓሸ ዕድል ሕጂ እዩ ይብል። ሓየሎም ብዛየነ ወኪል ኣውሮጳ ሰልፊ ውድብ ናጽነት ትግራይ ኰይኑ። ውናት፡ ኣብቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተኻየደ ኣከራኻሪ መረጻ፡ እቲ እንኮ ንናጽነት ትግራይ ዝጸውዐ ውድብ እዩ። እቲ መንእሰይ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝወረደ ኲናት፡ ዝተፈላለዩ ትካላት፡ ፍሉጣት ስነጥበበኛታትን ሃይማኖታዊ ትካላትን ከይተረፉ ምድጋፎም፡ኣብቲ ህዝቢ ዝፈጠሮ ቅርሕንቲ ቀሊል ከም ዘይኰነ የመልክት። ብታሪኽን እምነትን ትግራይ ዘይብላ ኢትዮጵያ ምሕሳብ ኣይክኣልን’ዩ እትብል ጸዳለ፡ ተጋሩ \"ንኢትዮጵያ ዘለዎም ተራ ፍሉጥ እዩ። ንኢትዮጵያ ኣብ ታሪኽ፣ ባህልን ካልኦት ዓውድታትን ዘለዎም ግደ ዝተፈለየ እዩ። ይኹን’ምበር፡ ብመንጽር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጸመ ተግባር ዳግመ ሕውየት የድሊ” ኢላ። እቲ ኲናት ብምቅዋም እትፍለጥ ጋዜጠኛ ጸዳለ፡ ህዝቢ ትግራይ “ከም ዝተረስዐ እንተተሰምዖ’ውን ባህሪያዊ’ዩ። እቲ ህዝቢ ተረሲዑ፣ ምርሳዕ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንቂመኛን ሕነ ክፈዲ ዝተጸበየን ስርዓት ጐረቤት ሃገር ኣሕሊፍካ ክወሃብ ተገይሩ’ዩ” ትብል። ጋዜጠኛ ጸዳለን ፖለቲከኛ ራሄልን፡ ምትእትታው ሰራዊት ኤርትራ ብዙሓት ነገራት ኣዝዮም ክተሓላለኹ ገይሩ’ዩ ኣብ ዝብል ይሰማምዓ። “ኢድ ኣእታውነት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ትግራይ ጥራይ ዘይኰነ ከም ሃገር ብዙሓት ነገራት ክተሓላለኹ ገይሩ እዩ። እዚ ሕቶ ልኡላውነት እዩ። ነዚ ኸኣ ፌደራል መንግስቲ እዩ ተሓታቲ ዝኸውን” ትብል ራሄል። ጸዳለ ብወገና፡ “ድሕነት ህዝቢ ትግራይ ንወራሪ ወጻኢ ሓይሊ ተመሓላሊፉ ኣብ ዝተዋህበሉ ኩነታት ካብ ኢትዮጵያ ክንፍለ ኢና እንተበሉ’ውን ዝገርም ኣይኰነን” ክትብል ተዛሪባ። ፖለቲከኛ ራሄል፡ ቀደሙ’ውን ውሽጣዊ ጸገማትና ባዕልና ክንፈትሕ ብዘይምኽኣልና’ዩ መንግስቲ ኤርትራ ክኣቱ ዝኸኣለ ዝብል መካትዒ ሓሳብ ኣሎዋ። “ኣነ ብውልቀይ፡ መጀመርታ ውሽጣዊ ጸገማት ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን እንተፈቲሖምዎ ጉዳይ መንግስቲ ኤርትራ ብዙሕ ዘጸግም’ዩ ኢለ ኣይሓስብን። እዚ ኹሉ ጸገማት ካብ ውሽጥና ዝነቐለ ስለ ዝዀነ፡ ኣቐዲምና ንዕኡ ክንፈትሕ ኣለና።” ጋዜጠኛ ጸዳለ ብወገና፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምትእትታው ኤርትራ ዘይምኹናኑ እቲ ኩነታት ክጋደድ ምኽንያት ኰይኑ’ዩ ብምባል፡ “ካብ ስቪካዊ ማሕበራት፡ትካላት ሃይማኖት፡ፖለቲካዊ ውዳበታት፡ሓይልታት ኤርትራ ንኽወጽኡ ዝሓተተ ኣሎ’ዶ? የለን፤ በዚ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ክስምዖ እዩ ትጽቢት ዝግበር?” ክትብል ትሓትት። ካብዚ ሓሊፉ፡ኣካቢት ፖለቲካዊ ውድባት ራሄል፡“ህወሓት ግዚኡ ኣብቂዑ’ዩ፤ ስለ ምንታይ ብናታቶም ግጉይ መገድን ግዚኡ ዘየገናዘበ ፖለቲካን ህዝቢ ይጉዳእ?” ኢላ። ብመሰረት እቲ ኣብ መንጐ ህወሓትን ማእከላይ መንግስትን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ኣብቲ ክልል መረጻ ክሳብ ዝካየድ ናይ ስግግር መንግስቲ ከም ዝጣየስ ተገሊጹ እዩ። ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝወረደ በሰላ ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ ዓቢይ ቅሬታ ሓዲርዎም እዩ። እዚ ኩነታት ብዕርቂ፡ ብመሰጋገሪ ፍትሕን ካሕሳን ዝፍወስ እዩ ኢሎም ዝኣምኑ'ኳ እንተሃለው፡ ኩሉ ነገር ዘይጽግን ክፍተት ተፈጢሩ’ዩ ኢሎም ዝኣምኑ እውን ኣለዉ። ትግራይ፡ ምስቲ ዝተረፈ ክፋል ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትእስሳር ተጸልዩ እዩ ዝብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ የል ተመራማሪ ድህረ ዶክትሬት ዝዀነ ጎይትኦም ገብረልኡል፡ “ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ኰይና ናይ ምቕጻል ዕድላ ጸቢብ’ዩ” ይብል። ብማዕከናት ዜና መንግስቲ ብስም ህወሓት ዝቐረበ ሰነዳዊ ፊልምታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘውረዶ ስነእኣምሮኣዊ ሃስያ ቀሊል ከም ዘይኰነ የዘኻኽር። ኣብቲ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ውግእ ዝተፈጸመ ግፍዒ፡ “እቲ ኲናት ፖለቲካዊ ፍታሕ'ኳ እንተረኸበ፡ ሓደ ትግራዋይ ድሕሪ 10 ወይ 20 ዓመት ካልእ ጨፍጫፍ ከም ዘይፍጸሞ እንታይ ዋሕስ ኣለኒ ኢሉ ምሕታቱ ኣይተርፍን። ስለዚ ንመጻኢ ተመሳሳሊ ግፍዒ ንኸይፍጸመና ናይ ባዕልና ሃገር ክትህልወና ይግባእ” ዝብል መርገጺ ኣለዎ። እዚ፡ ኣብ ውሽጢ ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ ብፍላይ ኣብ ሃገራት ወጻእ ዝነብሩ ተወለድቲ እቲ ክልል ክንጸባረቕ ዝጸንሐ ስምዒት እዩ። ካልኦት ድማ፡ሕጂ እቲ ኲናት ጠጠው ምባሉን ኣብ ውሽጢ ጸገም ዘሎ ህዝቢ ሓገዝ ዝረኽበሉን ዳግም እግሪ ዝተኽለሉን መገዲ ክእለሽ ኣለዎ ይብሉ። ሳራ፡ እቲ ብኲናት ዝተሃስየ መሓውራትን ዝተፈጥረ በሰላን ዳግም ንምሕዋይ ግዜ ክወስድ ምዃኑ ብምእማን፣ እቲ ኲናት ደው ኢሉ እቶም በደል ዝፈጸሙ ኩሎም ፍርዲ ክወሃቦምን ፍትሒ ክረጋገጽን ከም ዝግባእ ትዛረብ። ዝዀነ ኰይኑ ግን፡ መጻኢ ዕጫ ህዝቢ ትግራይ በቲ ህዝቢ ክውሰን ኣለዎ ክብሉ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ገሊጾም። ------- *መዘኻኸሪ፡ ነዚ ጽሑፍ ዝተገብረ ቃለ መጠይቕ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ስምምዕ ቅድሚ ምብጽሖም ዝተኻየደ እዩ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/clwq0n20194o"} {"headline":"ውፅኢት ዘተ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ መንግስትን ህወሓትን ሎሚ መዓልቲ ወግዓዊ ክኸውን’ዩ","content":"ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ወተሃደራዊ መራሕቲ ህወሓትን ኣብ ናይሮቢ-ኬንያ ክካየድ ዝቐነየ ዝርርብ ዝተዛዘመ ኮይኑ፡ ውጽኢቱ ድማ ሎሚ ቀዳም ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ዝህብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ወግዓዊ ክኸውን እዩ። ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንኽልተ ዓመታት ዝጸንሐ ኲናት ሓድሕድ ንምቁራጽ ኣብ መንጎ መንግስትን ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ትግራይን ስምምዕ ሰላም ፐሪቶሪያ ምፍራሞም ስዒቡ’ዩ ዘተ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ክካየድ ቀንዩ። እቲ 23 ጥቅምቲ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተፈረመ ስምምዕ፡ ነቲ ደማዊ ኲናት ደው ምባል፡ ቀዋሚ ምቁራጽ ተኹሲ፡ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን ምምላስ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ከምኡ’ውን ምፍታሕ ኣጽዋር ዘጠቓልል እዩ። ብመሰረት እዚ፡ እቲ ቀንዲ ስምምዕ ምስተፈረመ፡ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቶም ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ክዘራረቡ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ዝርዝር ኣተገባብራ መስርሕ ምፍታሕ ዕጥቂ ክሰማምዑ ንዝተበፅሐ ስምምዕ ስዒቡ’ዩ ኣብ ናይሮቢ ዝተራኸቡ። ካብ ሰኑይ 28 ጥቅምቲ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ጀሚሩ፡ ኣብ ናይሮቢ ክካየድ ዝፀንሐ ዕጹው ዘተ፡ ንሰለስተ መዓልታት ክጸንሕ’ኳ ተገሊፁ እንተነበረ፡ ክልተ መዓልታት ብምውሳኽ ክሳብ ዓርቢ ምንውሑ ይፍለጥ። ብዘይካ ክልቲኦም ተላዘብቲ ወገናትን ኣሸማገልትን ናብቲ ኣብ ናይሮቢ ክካየድ ዝቐነየ ዘተ ካልእ ዝኾነ ኣካል ክኣቱ ስለዘይተፈቕደ፡ ብዛዕባ መዓልታዊ ዝነበረ ኩነታት፡ ምዕባለ እቲ ዝርርብን ዝተበፅሐ ውጽኢትን ዛጊት ዝፍለጥ ነገር የለን። ኣብ መኽፈቲ እቲ ዘተ መደረ ዘስምዑ ተወከልቲ ክልቲኦም ወገናት፡ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮ ህዝቢ ትግራይ ብዘይ ገደብ ክቐርበሉ ምግባር ጊዜ ዘይወሃቦ ጉዳይ ከምዝኾነን መሰረታዊ ግልጋሎት ብቕልጡፍ ክጅመር ከምዝግበርን ገሊፆም ነይሮም። ኣማኻሪ ብሄራዊ ድሕንነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴን ብዓርቢ ኣብ ትዊተር ብዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝነበረ ኩነታት ብዝሓሸ ናብ ትግራይ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ይኣቱ ምህላዉ ጠቒሱ። ይኹን'ምበር ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንማዕከን ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ከምቲ ዝተብሃለ ከምዘይኮነ ሓቢሩ። ብኻልእ ወገን ናብ ክልል ትግራይ ዝወስድ ኩሉ መገድታት ንቐረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝተኸፍቱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዓርቢ ገሊፁ ነይሩ። ነዚ ደማዊ ኲናት ደው ንምባል፡ ኣብ መንጎ መንግስትን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕን ኣብ ኬንያ ክካየድ ዝቐነየ ዝርርብን ሕብረት ኣፍሪቃ ይመርሖ ከምዘሎ ይፍለጥ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cxe82yzjyz8o"} {"headline":"ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ይመጽእ’ዶ ይኸውን?","content":"ንክልተ ዓመታት ኣብ ከቢድ ኲናት ተጸሚዶም ዝጸንሑ መንግስቲ ፈዴራልን ህወሓትን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ 12 ነጥብታት ዘለዎ ውዕል ሰላም ብምኽታም፡ ነቲ ንክልተ ዓመት ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ መኸተምታ ክገብርሉ ኣብ ሓደ ደምዳሚ ስምምዕ በጺሖም ኣለዉ። እቶም ብኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ክልል ትግራይ ብጌታቸው ረዳ ዝምርሑ ልኡኻት ህወሓት፡ እቶም ኣብ ትግራይ ብህወሓት ተማእኪሎም ኲናት ከካይዱ ዝጸንሑ ዕጡቓት ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ፈኵስን ከቢድን ብረቶም ከውርዱ ዘገድድ ውዕል ከቲሞም። ኣብዚ ንኽልተ ዓመታት ክካይድ ዝጸንሐ ኲናት ኢዳ ዝጸንበረት ኤርትራ፡ ኣብቲ ዘተ ክትሳተፍ ድያ ዝብል ሕቶ ብተደጋጋሚ ይስማዕ ነይሩ’ዩ፤ ካብኡ ሓሊፉ ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኻየደ ዘተ ሰላም ንኤርትራ ዝምልከት እንታይ ኮን ይበሃል ይኸውን ብዝብል ብዙሓት ኣእዛኖም ጸልዮም ይጽበዩ ነይሮም፤ እንተዀነ ብግልጺ ዝተባህለ ነገር የለን። ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሓሽም እቶም ቀንዲ ተጻባእቲ ሓይልታት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ስለዝዀኑ እቲ ቀንዲ ሰላም ኣብኦም እዩ ክሰፍን ዘለዎ ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ። “ናይ ኤርትራ ተራ ኣብቲ ኲናት ቀሊል ኣይነበረን፣ ብቐሊሉ’ውን ዝስገር ኣይኰነን። ምናልባት ነቲ ውዕል ሰላም ናብ ዝኸፍአ ምትሕልላኽ ከየምርሖ ብምስጋእ እውን ተወንዚፉ ክኸውን ይኽእል’ዩ” ይብል። ዓብዱራሕማን ከም ካልኣይ ነጥቢ፡ “እቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 2018 ዝተበጽሐ ሰምምዕ ካልእ ተወሳኺ ዝርዝራዊ ስምምዕ ክግበረሉ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኸመይ ይሕሎ? ኣብቲ ዶባት’ከ መን ይህሉ ዝብል ነጥቢ ኣገዳሲ ክኸውን እዩ። ብሸነኽ ኤርትራ፡ ዝዀነ ናይ ክልል ሓይሊ ይዅን ምልሻ ነቲ ዶባት ክቈጻጸሮ ከምዘይብሉ ዝብል ጠለብ ቀሪቡ ክኸውን ይኽእል፡” ብምባል ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ኤርትራን ብሕጂ ስምምዓት ክግበር ከምዝኽእል ግምቱ የቐምጥ። ስለዚ እዞም ክልተ ነዚ ውዕል ሰላም ዝፈረሙ ኣካላት፡ ተጻብኦታት ደው ንኸብሉን ብኡ ኣቢሎም ከኣ ናብ ሰላም ንኽኣትዉን ብሕገ መንግስቲ ዝመሓደር ኵሉ ነገር ናብ ንቡር ንኽምለስን ምስምመዖም ሓደ ኣወንታዊ ስጕምቲ እዩ ይብል ዓብዱራሕማን። “ከምቲ ብእንግሊዝ the devil is on the details ( እቲ ሽግር ኣብ ዝርዝራት እዩ ዝመጽእ) ዝበሃል፡ ኣብ ምትግባር እቲ ስምምዕ ክፈኵስን ክዘልቕን፡ ኣብቲ ዘለዎም ቅርቡነትን ዝግበረሎም ሓገዛትን እዩ ክምርኮስ። እዚ ዅሉ ኣብ ቦታኡ እንከሎ ንኤርትራ ናብዚ ምጽንባራ ነቲ ነገራት ዝያዳ ክሓላልኾ ስለዝኽእል፡ ነቶም ቀንዲ ተጻባእቲ ጥራይ ዘተኮሩ እመስለኒ፡” ክብል ይውስኽ። ኣብ ጂቡትን ሱዳንን ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኰይኑ ዝሰርሐ ገዲም ተጋዳላይ 70ታት፡ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ክፍለሰራዊትን ነበር ኣምባሳደር ዓብደላ ኣደም ብወገኑ፡ “እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ኵናት ሓድሕድ ስለዝዀነ ንኤርትራ ኣብቲ ኲናት ዘእቱ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት ኣይነበረን፣ ኣብዚ ውዕል እዚ ኸኣ ዘዐድም የብላን፡” ይብል። ኣምባሳደር ዓብደላ ኣደም ወሲኹ፡ “ህወሓት ኣብዚ ዘተ ሰራዊት ኤርትራ ይውጽኡ ዝብል ነጥቢ ኣቕሪቦም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። እንተዀነ ኣብ ውሽጢ እንታይ ተበሃሂሎም ከይተፈለጠ ኢና ነቲ ስምምዕ ሰሚዕናዮ፣ ምናልባት’ውን ንኤርትራ ዝምልከት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ህወሓትን [ኣብቲ ስምምዕ ዘይሰፈረ] ዝተበጽሐ ስምምዕ ይህሉ ይኸውን ኢለ እግምት፡” ኢሉ። ዓብዱራሕማን ኣቡሓሽም፡ ባህሪ ህዝባዊ ግንባርን ህወሓትን ብምንጽጻር፡ እቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዝተኻየደ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሰዓራይን ተሰዓራይን ስለዘይተወድአ፡ ጸኒሑ’ውን እቲ ኣብ ኣልጀርስ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ብኣብያ እቲ ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ ኢህወደግ ኣብ ባይታ ስለዘይተተግበረን ንኤርትራ ዝተበየነ እታ ቀንዲ ማእከል እቲ ኲናት ዝነበረት ባድመ ትርከቦ ሓያለ ቦታታት ኣብ ኢድ ኢትዮጵያ ስለዝጸንሐን፡ ክልቲኦም ሓይልታት ንዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ኣብ ዝሑል ኲናት ከምዝጸንሑ ብምግላጽ ምትእትታው ናይ ኤርትራ ካብዚ ነጺልካ ዝርአ ከምዘይኮነ ይሕብር። “ከም መቀጸልታ ናይቲ ክካየድ ዝጸንሐ ኣይ ኲናት ኣይሰላም ከኣ፡ እቲ ካብ 1998-2000 ዝተኻየደ ኲናት ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ክልቲኦም ሓይልታት ኣብ ፕሮፖጋንዳዊ ዘመተ፡ ንሓድሕዶም ንምጥቕቓዕ ንተቓወምቲ ኣብ ምዕጣቕ ደው ኣየበልዎን ጸኒሖም” ድሕሪ ምባል፡ “ዋላ ኣብ 2018  ውዕል ሰላምን ምሕዝነትን ምስ ተፈረመ’ውን ጸገም ህግደፍን ህወሓትን ኣይሰኸነን፣ ስለዚ እቲ ሓደ ኣብ መንጐ መንግስታት ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን መራኸቢ ነጥቢ ኰይኑ ዝጸነሐ’ውን ንህወሓት ከም ናይ ሓባር ጸላኢ ወሲድካ ከመይ ገይርካ ንዕኡ ትስዕሮ’ዩ ነይሩ፡” ይብል። ኣምባሳደር ዓብደላ ብወገኑ፡ ንኤርትራ ናብዚ ኲናት ዘእቱ ዝዀነ ዓይነት ምኽንያት ከምዘይነበረ ብምግላጽ፡ “እንድሕር ዘይተወደአ ጉዳይ ምሕንጻጽ ዶብ ነይሩ ኰይኑ፡ ኤርትራ ከም መንግስቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ምበር ምስ ህወሓት ኣይኰነን ክዘራረብ ዝግባእ” ብምባል ርእይቶኡ የቐምጥ። ብምቕጻል፡ እቲ ኤርትራ ናብዚ ኵናት ዝኣተወትሉ ምኽንያት ናይ ኢሰያይስ ውልቃዊ ቅርሕንቲ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ህወሓት ከምዝዀነ ይገልጽ። ብተወሳኺ ነቲ ኣብ ኤርትራ ክትግበር ዝግባኦን ህዝቢ ዝጠልቦ ዘሎን ምትካል ቅዋማውን ደሞክራሲያውን ስርዓት ክትግበር ስለዘይደለዮ፡ “ንህዝቢ ጸላኢ ኣለካ እናበለ ጅሆ ንምሓዙ’ዩ” ይብል። ኣምባሳደር ዓብደላ ኣደም ነዚ ሕቶ “ፈጺሙ ኣይመጽእን’ዩ” ብምባል’ዩ መልሲ ሂብሉ። ንመልሱ ከራትዕ እንከሎ፡ “ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲ ከይትከል ቅዋም ከይትገበር፡ ጽርግያ ከይስራሕ፡ እሱራት ከይፍትሑ ንኢሰይያስ ወያነ ድዮም ብኢዱ ሒዘሞ ጸኒሖም? መን’ዩ ዓሳታን ባሕሪ ተገፊፎም ከይሽየጡ ንኢሳይያስ ብኢዱ ሒዝዎ?” ብምባል ሕቶታት የቐምጥ። ኣስዒቡ፡ “ኣብ ኤርትራ ለውጢ ከይመጽእ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ለውጢ ዘይደሊ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ብኢሳይያስ ዝምራሕ ስርዓት’ዩ። ሕጂ’ውን ወያነ ገና ኣለዉ፡ ስነ ሓሳቦም ኣሎ፣ ዘደቅሱና ኣይኰኑን እናተባህለ ካልእ ፕሮፖጋንዳ ክፍጠር ይኽእል እዩ። ሕጂ ወያነ ከይዶም’ዮም ኵሉ ነገር ናብ ንቡር ክምለስ’ዩ ኢሉ ዝሓስብ ሰብ እንተሃልዩ ወይ ንስርዓት ኢሳይያስ ዘይፈልጥ’ዩ ወይ የዋህ’ዩ ጥራይ’የ ክብል ዝኽእል፡” ብምባል ይድምድም። ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሓሽም ብወገኑ፡ ካብ ሓሳብ ኣምባሳደር ዓብደላ ከይርሓቐ፡ ጉዳይ ኤርትራ ምስ መሪሕነት ህግደፍ ወይ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተኣሳሰር ከምዝዀነ’ዩ ዝገልጽ። “ንዝሓለፈ ተመኵሮታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድሕሪ ሕጂ እውን ኣካይዳኡ ኣይክቕይርን እዩ” ይብል። ዓብዱራሕማን ኣተሓሒዙ፡ “ኣብ ሕሉፍ ተመርኵስና ክንርእዮ እንከለና፡ መመኽነይታታት ካብ ምድላይ ዓዲ ኣይክውዕልን’ዩ፣ ሎሚ ናይ ወያነ ጉዳይ እንተተዓጽያ ጽባሕ ከኣ ብኻልእ ከባቢ ካልእ ምኽንያት ከምጽእ’ዩ፣ እዚ መበልየይ እቲ ዘሎ ጸገም ውሽጣዊ ስለዝዀነ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት እቲ ናይ ደገ ከም መመኽነይታ እዩ ክቐርብ ጸኒሑ” ይብል። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ዲሞክራሲ ክትከል፡ ቅዋም ክትግበር፡ እሱራት ክፍትሑ፡ ህዝቢ ብድላዩ ንዝደለየ መራሒ ክመርጽ እንተዀይኑ፡ እዚ ዅሉ ብናይ ደገ ዝጽሎ ከምዘይኰነ’ዩ ዓብዱራሕማን ዝሕብር። ዓብዱራሕማን፡ “መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ቁጠባ ሃገሩ ክገብሮ ካብ ዝኽእል ኣበርክቶ ኣብኲርካ፡ ተምጽኦ ዝዀነ ዓይነት መኸተ ከም ፖሊስን ስትራተጅን ቅኑዕ ኣይኰነን። ምናልባት ሕጂ ኢሳይያስ ጉዳይ ወያን መመኽነይታ ክጥቀመሉ ስለዘይክእል ንዓኣ ከልዕላ ኣይክእልን ይኸውን፣ ካብዚ ብምብጋስ ጽገናታት ሰብኣዊ መሰላት ክንገብር፡ እሱራት ክንፈትሕ ህዝቢ ኸኣ ባይቶኡ ክመርጽ እዩ ቅዋም’ውን ከነተግብሮ ኢና እንተዝብል ህዝቢ ንዝሓለፈ ይቕረ ኢሉ ነቲ ክሳብ ሕጂ ክግበር ዝጸንሐ ገበናት’ውን ሓዲጉ ናብ ጽቡቕ መጻኢ መተኮረ ነይሩ . . .” “ . . . ግን ንሕሉፍ ታሪኽ ኢሳይያስ ኣብ ግምት ብምእታው ክመጽእ ዝኽእል ለውጢ ኣሎ ኢለ ኣይግምትን’የ” ይብል። ዓብዱራሕማን ንድሕሪት ምልስ ብምባል ኣካይዳ ናይ ቅድም ህዝባዊ ግንባር ዳሕራይ ህግደፍ ምስ ዝዀነ ተመሓዚኻ ንጸላኢኻ ካብ መስርሕ ምውጻእ ዝብል’ዩ ብምባል፡ ንጀብሃን ንደርግን ንምጥፋእ ምስ ህወሓት ዝገበሮ ሽርክነት ከም ኣብነት ይጠቅስ። “ከም ሃገር ኴንካ ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ከተካይድ እንከለኻ እቲ ደረት ሃገራውነትን ልኡላውነትን ፋሕ ፋሕ’ዩ ዝብል፡ ሕጂ ንኣብነት፡ ምስ ከም በዓል ፋኖ ዝኣመሰሉ ጕጅለታት ርክባቱ እንተቐጺሉ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣዳማዪ ዝዀነ ታሪኽ ክድግም’ዩ፣ ወይ ምስ ደምሕት ኰይኑ ንኻልእ ጕጅለ ክሃርም እንተፈቲኑ’ውን ብተመሳሳሊ ሳዕቤናት ክህልዎ’ዩ። ስለዚ እዚ ደረታት ክግበረሉ ኣለዎ። እቲ ርክብ ሃገር ንሃገር መንግስቲ ንመንግስቲ’ዩ ክኸውን ዘለዎ” ብምባል ሓሳቡ ይህብ። ኤርትራ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝህልዉ ጕጅለታት ምእኩል ብዘይኰነ ኣገባብ ርክባት እንተገይራ፡ ኢትዮጵያ’ውን ተመሳሳሊ ተግባራት እንተኣካይዳ ኤርትራን ኢትዮጵያን ርግኣት ኣይክህልወንን’ዩ ይብል ኣቡሓሽም። ንሱ፡ ነዚ ብኣብነት ከሰንዮ እንከሎ፡ “ኣብ ውሽጢ ሊባኖስ ዘለዉ ሓይልታት ብዝተፈላላያ ሃገራት ዝምወሉን ሓሳባተን ዘተግብሩን እዮም፤ ስዑድያ፡ ኢራን፡ ፈረንሳን ካልእ ንሳተን ዝዝውራኦም ነናተን ጕጅለታት ኣለውወን፡ እዚ ኸኣ ንሊባኖስ ሓንቲ ዝተገማመዐት ሃገር ከምእትኸውን ገይርዋ ኣሎ፡” ብምባል ስግኣቱ የቐምጥ። ኣምባሳደር ዓብደላ እውን፡ “ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሃገራት ንቡር ዝዀነ ርካባት ክህሉ እንተዀይኑ ኣብ ኤርትራ ንቡር ዝዀነ ስርዓት ክህሉ ኣለዎ፤ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ንቡር ክሳብ ዘይኮነ፡ ንቡር ዝዀነ ርክባት ክህሉ ትጽበዮ ኣይኮነን፡”  ይብል። እንተዀነ ኣመል ምስ መግነዝ ስለዝዀነ ኢሳይያስ፡ ዋላ እውን ህወሓት ህላወኦም እንተብቂዑ፡ ኣብ ትግራይ ንሱ ዝዝውሮም ሓይልታት ፈጢሩ ምስ ኣቢይ ምተቘራቘሰ፤ ምኽንያቱ ቀጻልነት ናይቲ ስርዓት ኣብ ግርጭታትን ህውከትን ዝተመርኰሰ እዩ፡ ይብል። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ናይ ሓደ ሰብ፡ ናይ ኢሳይያስ ስርዓት ስለዝዀነ ንዅሉ ነገር ኢሳይያስ እዩ ዝውስኖ፡ ክብል ኣብ ሕሉፍ ተመኵሮኡ ዝተመርኮሰ እምነቱ ይገልጽ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4nel70y8zqo"} {"headline":"ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያን ‘ንህዝቢ ዘይተገለጸ’ ተሳትፎ ኤርትራን","content":"ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ካብ ዝጅምር ክልተ ዓመቱ መሊኡ’ሎ። ብሰንኪ እዚ፡ እታ ሃገር ኣብ ከቢድ ሰብኣዊን ማሕበረሰባውን ዓዘቕቲ ተሸሚማ ኣላ። ኣብ ምጅማር እቲ ኲናት ኢዳ ከም ዝጸንበረት እትኽሰስ ኤርትራ፡ ሰራዊታ ኣኽቲታ ኣብቲ ኲናት ብምጽማዳ፡ ብኡ መንጽር ኵሉ ሸነኻት ህይወት እታ ሃገር ተረሚሱ ከም ዘሎ ብዝተፈላለየ ሸነኻት ክግለጽ ጸኒሑ ኣሎ። ኤርትራ፡ ናብዚ ኵሉ ሰባውን ንዋታውን ጸጋታታ ዝዘቁቕ መጠነ-ሰፊሕ ኲናት ንኽትኣቱ ዘገደዳ ምኽንያት ንህዝባ ብወግዒ ኣየፍለጠትን። ኣብታ ሃገር ንዅሉ ነገር ዝውስን፡ ቅዋም ክትግበር ከይትግበር፡ ደሞክራሲ ክትከል ከይትከል ዝውስን እቲ መራሒ ጥራሕ እዩ ዝብል ክሲ ጸኒሑ እዩ። ኣብዚ ኤርትራውያን መንእሰያት ዝቐዘፈ ደማዊ ኵናት ዝኣተወሉ  ምኽንያት ከኣ ኣይገለጸን። ዝዀነ ይዅን እቲ ምኽንያት ብዘየገድስ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ቀደም እውን እንተኾነ ጉዳያት ብመልክዕ ኣዋጅ ብሚድያ እምበር ብሃገራዊ ባይቶኡን ዝወከሎም ኣካላትን ክንገሮን ኣፍልጦኡ ክህብ ልሙድ ኣይኰነን። ህዝቢ ብመልክዕ ግፋን፡ ዘይወግዓዊ ጻውዒታት ክተተን ክኸትትን ደቁ ክህብን ጥራይ እዩ ዝሕተት ይብል ዳይረክተር ሳውዝ ባንክ ዩኒቨርሲቲ - ክፍሊ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ሕግን ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ። ብዛዕባ እዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ደቁ ዝሳተፉዎ ዘለው ደማዊ ኲናት  እንተዀነ እውን ብማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣይተነገረን። ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ኵነታትን ዝኽፈል ዘሎ ኵሉ ዓይነት ዋጋን ዝነግሮ የለን። እቲ መንግስቲ ኣገልጋሊ ህዝቢ ዘይኰነስ፡ ብዘይንቡር መገዲ እቲ ህዝቢ እዩ ነቲ መንግስቲ፡ ህይወቱ፡ ትሕዝቶኡን ውሉዳቱን እናገበረ ዘገልግሎ ይብሉ ንምሕደራን ኣካይዳን እቲ ስርዓት ዝነቕፉ ተንተንቲ ፖለቲካ። መንግስቲ ኤርትራ ግን ብመገዲ ካድራቱን ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀልን ኣቢሉ ንሃገራዊ ድሕነትን ልዑላውነትን ይሰርሕ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ። እቲ ህዝቢ ድማ፡ ረብሓኡ ብመገዲ ትካላቱ ክምጕት፡ ከረጋግጽን ከውሕስን ዓቕሚ ተኸሊኡ፡ መጻኢ እንታይ ከምጽኣሉ ምዃኑ ኣብ ዘየረጋገጾ፡ ዘይወሰነኖ፡ ዕላማኡ ዘይፈልጦን ደማዊ ኲናት ተሸሚሙ ይርከብ። ብሰንኪ’ዚ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ብዛዕባ ኣብ ስድራቤቶም ዝወረደ ቅልውላው ዝነግሩዎ ዛንታ ተመሳሳሊ እዩ። ሄለን ብርሃነ እበሃል - ኣብ ሆላንድ’የ ዝነብር። ገዛና ሰለስተ ኣሕዋት ኢና፣ ኣነ በዅሪ’የ ምንኣሰይ ወድን ጓልን ኣለዉኒ። ኣቦይ ኣባል ሻሙናይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኰይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ኣይተጣየሰን - ኣባል ሓይልታት ምክልኻል እዩ ዘሎ። ምንኣስ ምንኣሰይ፡ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ተኸፍተ፡ ናብ ኢትዮጵያ ሰጊራ። ኲናት ትግራይ ክጅመር እንከሎ፡ ኣብ ትግራይ እያ ነይራ። መጀመርታ ሰሙን ናይ ሕዳር ድምጻ ምስ ሰማዕኩ፡ ኣብዚኣ ኣትያ ዘይብሉ ደሃያ የብልናን። ምንኣሰይ ሓወይ’ውን ኣባል 31 ሃገራዊ ኣገልግሎት ኰይኑ፡ ቦታኡ ኣብ ከባቢ መንደፈራ’ዩ ነይሩ። ንሱ’ውን ሓምለ 2021 ደሃዩ ምስ ሰማዕና ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣብዚኣ ኣለኹ ኣይበለናን። ከምዚ’ዩ ኰይኑ ዝብለና’ውን ኣይረኸብናን። ኣቦይ ከኣ ግንቦት 2022 ዕረፍቲ ተዋሂብዎ ናብ ዓዲ መጺኡ ምንባሩ ኣደይ ድሒራ ነጊራትኒ ነይራ። ኣብ ሰነ ናብ ኣሃዱኡ ምስ ከደ ኣብ መጀመርታ መስከረም ኣቢሉ ሓንሳእ ‘ሚስ ኮል’ ገይሩለይ - ደዊለሉ ካብ ቦታና ንንቀሳቐስ ኣለና ኢሉኒ፣ ናበይ ከምዝኸዱ ስለዘይፈለጠ ግን ንዓይ’ውን ኣይነገረንን። ናይታ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣላ እናበልናያ ክሳብ ሕጂ ደሃያ ዘይብልና ዊንታ ሓፍተይ እናሓሰብና፡ ናይ ብሩኽ ሓወይ ስዒቡ፡ በዚ ከይኣኽለና ኣቦይ ከኣ ንጹር ደሃይ የብሉን! ካብ ገዛና ካብቶም ሽዱሽተ እቶም ሓሙሽተ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኢና። ንበዅሪ ምንኣሱ ሓዳር ስለዝገበረት’ያ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተማሒራ፣ እንተዀነ ንዓኣ’ውን በዓል ቤታን ክልተ ደቃን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት’ዮም፣ ናይ ቅድስቲ ሓፍተይ ክንምለሶ ኢና። . . . ኣሃዱና ከባቢ ዶብ ሱዳን ስለዝነበረት፡ ኣብ መወዳእታ 2017 ናብ ሱዳን ሰጊረ ብሊብያን ባሕርን ሰጊረ፡ ዕድል ገይረ፡ ሕጂ ኣብ ስዊድን - ኡፕሳላ ኣብ ትበሃል ከተማ’የ ዝነበር ዘለኹ። እቶም ዝተረፉ ኣብ ኣገልግሎት ዝገደፍክዎም ኣሕዋተይ፡ ብዘይካ እቲ ሓደ እቶም ሰለስተ ኣብ ኲናት ትግራይ ተሳቲፎም’ዮም። ሕጂ ኸኣ ብዘይካ ናይቲ ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ዘሎ ሕሳስልደ ሓወይ፡ ናይቶም ሰለስተ ኣሕዋተይ ዝዀነ ደሃይ የብልናን፡ ብፍላይ እቲ ሓደ ደሃይ ካብ ዘይገብር ዓመትን መንፈቕን ኣሕሊፉ’ዩ። በዓል ቤታ ንቕድስቲ ሓፍተይ’ውን ብተመሳሳሊ ደሃይ የብሉን። እቶም ክልተ ደቃ ግን እግዝኣብሄር ይመስገን እቲ ሓደ ኣብ ግላስ እታ ሓደ ከኣ ኣብ ከባቢ ኣፍዓበት ኣለዉ። ዓድን ስምን ደኣ ይፈላለ’ምበር፡ ንብዙሓት ስድራቤታት ኤርትራ ዝትንክፍ ማእለያ ዘይብሉ ተመሳሳሊ ዛንታታት እዩ። ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 60 ዓመታትን ልዕሊኡን ካብ ኲናት፡ ወረን ኵነትን ኲናት ኣየዕረፈትን። ስለዝዀነ ድማ ብዙሓት ዜጋታታ ተሰዊኦም፡ ሰንኪሎም፡ ተፈናቒሎም፡ ተሰዲዶምን ብዙሕ ሽግራትን ርእዮም እዮም። ኣብዚ ካብ ዝጅመር ክልተ ዓመተ ኣቝጺሩ ዘሎን እታ ሃገር ኢዳ ዝሓወሰትሉን ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ክንደይ ከም ዝጠፍኡ እቲ ህዝቢ ብሻቕላ ዝጽበዮ ዘሎ ጉዳይ እዩ። እቲ ኲናት ብውዕል ምቍራጽ ተጻብኦታት ደው ኢሉ’ኳ እንተሎ፡ ኲናት ንሓንቲ መዓልቲ’ውን ኣብ ዝተናውሓሉ፡ ክንደይ ህይወትን ካልእ ጸጋታትን ሃገር እዩ ክሓትት? ብፍላይ ነተን ውሉዳተን ወይ ኣቦታታተን ከፊለን ዘለዋ ስድራቤታት ኣሻቓልነቱ ማዕረ ክንደይ እዩ? እዚ ብሓቂ እቲ ዝወረዶ ጥራይ ዝያዳ ከም ዝፈልጦን ዘሕምሞን ብሩህ’ዩ ትብል እታ ኣብዚ ኲናት እዚ ኣሕዋታ ከቲቶም ዘለው ወሃቢት ርእይቶ ሄለን። መንግስቲ ኤርትራ ስለምንታይ ናብ ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ ከምዝተጸንበረ ብወግዒ’ኳ እንተዘይገለጸ፡ ብመሰረት ብይን ኣልጀርስ ናብ ኤርትራ ዝተወሰነ መሬት፡ ንኣስታት 18 ዓመታት ብኣብያ እቲ ብህወሓት ዝዕብለል ዝነበረ መንግስቲ ተታሒዙ ብምጽንሑ ከም ጠንቂ ክቐርብ ምጽንሑ ኣብ ግብጺ ዝመደበሩ ምኵር ኤርትራዊ ጋዜጠኛን ጸሓፍን ማሕሙድ ኣቡበከር የረድእ። መንግስቲ፡ መሬቱ ከምልስን ኣብ ምጅማር እቲ ኲናት ህወሓት ናብ ኤርትራ ሚሳይል ምትኳሱን’ውን ብመልክዕ ሓተታ ዝወጽአ መግለጺታቱ ይእምት። ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዓብዱራሕማን ኣቡሓሽም ብወገኑ፡ “ኣብ መንጐ ህግደፍን ህወሓትን ሰላም ዘይምጽንሑ፡ ነቲ ሕሉፍ ንታሪኽ ገዲፍና፡ ኣብ መንጐኦም ካብ 1998 ጀሚሩ ዝጸንሐ ምትፍናንን ኣይ ኲናት ኣይሰላምን” ጠንቂ እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ምዃኑ ይገልጽ። ጋዜጠኛ ማሕሙድ፡ ብድሕሪኡ ዝተፈጥረ ዶባዊ ምስሕሓብ’ውን በቲ ስምምዕ ኣልጀርስ ክትግበር እቲ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ህወሓት ስለዝኣበየ ክፍታሕ ኣይተኻእለን - “ስለዚ ድሕሪት ምልስ ኢልካ ነቲ ዝምድናታት ኣተሓሒዝካ ምርኣዩ፡” ብውሑዱ ነቲ ብወገን ኤርትራ ዝቐርብ ምጕት ንኽንርድኦ ሓጋዚ ምዃኑ የብርህ። “እዚ ግን ነቲ ዝነበረ ምትእስሳራት ንምብራህ እምበር፡ እዚ ኲናት ምኽኑይ እዩ ንምባል ኣይኰነን” ድሕሪ ምባል፡ ካብቲ ኲናት ንላዕሊ እቲ መመሊሱ ዝዓሙቕ ዘሎ ጽልእን ቅርሕንቲን ከምዘሰክፎ የብርህ። ዓብዱራሕማን ብወገኑ፡ “እቲ ኣብ ኣልጀርስ ዝተበጽሐ ስምምዕ’ውን ነቲ ኣብ መንጐኦም ዝነበረ ሓድሕድ ናይ ምጽባእ ኵነታት ዝድምስስ ኣይነበረን፣ እቲ ጽልኢ ካብ ውዑይ ኲናት ናብ ዝሑል ኲናት ጥራይ’ዩ ተሰጋጊሩ፡” ይብል። ዓብዱራሕማን ኣቡሃሽም እውን ሰራዊት ብሓይሊ እናገፈፍካ እትኣትዎ ውግእ  ከዕንወካ እንተዘይኰይኑ ከዐውተካ ከምዘይክእል ብምግላጽ፡ እዚ ቅድሚ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ብ \"ማዕበል ሰብ\"  ዝግበር ዝነበረ ዓይነት ኲናት ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘየዋጽኦን ንዝመጽእ ዓሰርተታት ዓመታት ከቢድ ሃስያን ስምብራትን ከስዕበሉ ከምዝኽእል ይገልጽ። ኣብ ዝዀነት ሃገር ዋላ እውን ኣብ ብዙሓት እተን ብምልካዊ ስርዓት ዝመሓደራ ሃገራት ንኲናት ዘገድድ ነገር እንተልዩ እቲ ፖለቲካዊ ስርዓት፡ ባይቶ ይዅን ካቢነ ተዘራሪቡ ከምዝውስን ዝገልጽ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ፡ ኣብ ኤርትራ ግን ከምኡ ከምዘይተገብረ እቲ ኣብ 1992 ዓመተ ምሕረት ብ150 ኣባላት ዝቘመ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ካብ ጥሪ 2002 ንደሓር ንኣስታት ዕስራ ዓመት ተኣኪቡ ከምዘይፈልጥ፤ ብዙሓት ካብ ኣባላቱ ገሊኦም  ተኣሲሮም ሃለዋቶም ከይተነግረ ተሰዊሮም፣ ገሊኦም ብሕማም ሞይቶም፤ ብዙሓት ከኣ ብዕድመን ሽምግልናን ከምእተሰናኸሉ የረድእ። ኣቶ ሰንጋል ወልደንሰአ ከኣ፡ ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ እውን እንተዀነ ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ 2018 ሓደ መዓልቲ ንፍርቂ ሰዓት ድሕሪ ምእካቡ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ክምልሶን ክጻወሮን ብዘይከኣለ ኣብ ውሽጦም ተፈጢሩ ብዝበሃል ብወግዒ ዘይተነግረ ዘይምርድዳእ ዳግማይ ተኣኪቡ ከምዘይፈልጥ ይሕብር። ኣብ ርእሲኡ እቲ ን“ህዝባዊ ግንባር ደሞክራስን ፍትሕን” ዝመርሕ ፈጻሚት ሽማግለ ዝበሃል 19 ዝቝጽሩ መሪሕነት እውን፡ ብስደትን ሕማምን ስንክልናን ማእሰርትን ተሸምሪሩ እቶም ዝርካቦም ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ ሓለፍቲ’ውን ተኣኪቦም ዘትዮም እዝን እዝን ውሳነ ኣሕሊፎም ዝብል መግለጺ ተዋሂቡ ከምዘይፈልጥ ብምግላጽ፡ ኣብዚ ውግእ እዚ ግን ኢሳይያስን እቶም ኣብ ውሳነ ምስኡ ዝተዋስኡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታን ሰራዊትን ቀንዲ ተሓተትቲ እዮም ይብል። “እዚ ኵሉ ኣብ ኤርትራ ዝወርድ ዕንወት ኢሳይያስ ንበይኑ ከተግብሮ ኣይክእልን እዩ። እንተስ ብረብሓን ጉንዖን፡ እንተስ ብእምነትን ዕላማን ንመደባቱ ዘተግብሩ፡ መንእሰያትን ዓበይትን እናገፈፉ ናብ ውግእ ዘእትው በብደረጀኦም ብሕግን ሕልናን ዝሕተቱ ሰባት ኣለው” ይብል። ዓብዱራሕማን ብወገኑ ንዅነታት ኤርትራ ኣመልኪቱ፡ “ኣብ ኤርትራዊ ዝወርድ ዝዀነ ዓይነት ሃስያ ተሓታቲ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት’ዩ። ዝዀነ ሓላዪ ህዝቢ ዝዀነ መንግስቲ ንኲናት ከም ቀዳማይ ምርጫ ገይሩ ኣይወስዶን’ዩ። እዚ ናብ ኲናት ዝኣቱ ዘሎ መንእሰይ መን ኣዚዝዎ ድዩ ናብ ኲናት ዝኣቱ ዘሎ? እቲ ኣብ ኣስመራ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ክሳብ ዝዀነ ተሓታታይ ንሱ እዩ፡” ብምባል የብርህ። ኣብ ዝዀነ ጉዳይ ተሓታትነት ክህሉ እንተዀይኑ፡ ዝሓትት ኣካል ክህሉ ከምዝግባእ ዘዘኻኽር ኣቶ ሰንጋል ወልደንሰአ፡ ህዝቢ ኤርትራ \"ደቁ ብሓይሊ ተገፊፎም ክኸዱ እንከለው ይዅን ሕጂ ድሕሪ እዚ ደማዊ ውግእ ደቅና ኣበይ ኣትዮም? ክብል እንተዘይክኢሉ፡ እቲ ስርዓት ብዘይ ተሓታትነት\" ክተርፍ ከምዝኽእል ይገልጽ። “ኵሎም መለኽቲ ኣብ ሓደ ምዕራፍ ህይወቶም ብሕግን ታሪኽን ምሕታቶም ስለዘይተርፎም እዚ ህዝቢ ድምጺ ኣብ ዘይሃበሉ ኣስገዳድ ውግእ መንእሰያት ዘህልቕ ዘሎ ስርዓት ኢሳይያስ ውዒሉ ሓዲሩ ብሕግን ታሪኽን ዝሕተትሉ ግዜ ርሑቕ ኣይኰነን። ግን ከኣ መሰልካ ንምርግጋጽ ቃልሲ የድሊ፡” ይብል። ጋዜጠኛን ጸሓፍን ማሕሙድ ኣቡበከር ብወገኑ፡ ልኡላውነት ሃገር ብሰላምን ዲሞክራስን ከምዝወሓስ ብምግላጽ፡ ኢትዮጵያውያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደ ስምምዕ ስለዝበጽሑ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎዎ ጉዳይ ዶብ፡ ምስ መንግስቲ ብምዝርራብ ክፈትሖ ከም ዝግባእ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ዕጡቓት ጉጅለታት፡ ፋኖ፡ ክልላትን ዝገብሮ ዝምድና ትርጕምን ቀጻልነትን ከምዘይብሉ የረድእ። \"እቲ መንግስቲ ካብ ኵነተ ኲናት ክወጽእ፣ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ክመጽእ፡ ንዅሉ ዝሓቍፍ ህዝባዊ መንግስቲ ክትከል\" እዋኑ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ “ብኲናትን ወተሃደራዊ ኵነታትን ዝፍጠር ምዕባለታት” ዘላቕነት ከም ዘይብሉ የዘካኽር።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2n9kwgypko"} {"headline":"ወተሃደራት ፈደራልን ዕጡቓት ትግራይን ኣብ ግንባር መግብን ሽጋራን ይካፈሉ","content":"ወተሃደራት ሰራዊት ፈደራልን ኣባላት ሓይልታት ትግራይን ኣብ ግንባር መግብን ሽጋራን ክለዋወጡ ተራእዮም። ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ወተሃደራውያን መራሕቶም ኣብ ኬንያ ዝርርብ ኣብ ዝቕጽልሉ ዘለው እዋን ኣብ ባይታ ናይ ዕርቂ ስጉምቲ ይወስዱ ከምዘለው ተሓቢሩ። ኣማኻሪ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ሬድዋን ሑሴን፡ ብሰሉስ ኣብ ኣመሪካ ንዝመደበሩ ማዕከናን ዜና ኢትዮጵያ (EMS ቲቪ) ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንሓድሕዶም ዝዋግኡ ዝነበሩ ወተሃደራት ትግራይን ሰራዊት ፈደራል ኣብቲ ዝተፋጠጥሉ ግንባራት መግብን ሽጋራን ተኻፊሎም ክብል ተዛሪቡ። \"ብሓባር መግቢ ይበልዑ፡ ሽጋራ እውን የትክኹ፡ ስእሊ ይሰኣሉ፡ ንምዉታት ድማ ብሓባር ይቐብሩ ኣለው''። ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝግበር ዘሎ ዝርርብ ዝካፈል ዘሎ ሬድዋን ሑሴን: \"ልኡኻት ህወሓት ነዚ ኩነታት ዘርኢ ቪድዮታት ከም ዘለዎም እዮም ዝነግሩና ዘለዉ\" ኢሉ። ሬድዋን፡ እቶም ወተሃደራት \"ምቅትታልን ምሟትን\" ባህ ስለ ዘይብሎም፡ ብዛዕባ እዚ መስርሕ ሰላም ኣዝዮም ሕጉሳት ምዃኖም ገሊጹ። \"ህይወቶም ከድሕኑን ንወለዶም ክሕግዙን ይደልዩ እዮም። እቲ ጸገም ፖለቲካ እዩ። እቲ ፖለቲካዊ ጸገማት እንተተፈቲሑ ከኣ ኵሉ ናብ ንቡር ስርሑ ክምለስ’ዩ\" ኢሉ። ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድማርሻል ብርሃኑ ጁላን ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደን ብመሰረት እቲ ብ2 ሕዳር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም፡ ብዛዕባ ምፍታሕ ዕጥቅን ዳግመ ተሃድሶን ንምዝርራብ ኣብ ናይሮቢ ይርከቡ ኣለው። ትማሊ ሰኑይ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ምእንቲ ሰላም ክብሉ ሕድገታት ከምዝገበሩ ገሊጹ ነይሩ። \"ነብሲ ወከፍ እንገብሮ ስምምዕን እንሰርሖ ስራሕን ድሌት ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋጽ እዩ። ህዝብና ካብ ዝዀነ ይኹን ነገር ንላዕሊ ሰላም እዩ ዘድልዮ። ነቲ ንህዝብና ዝኣተናዮ መብጽዓ ብዘዕግብ መገዲ ክንፍጽሞ ኢና\" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ወሃቢ ቃል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ነድ ፕራይዝ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ናይሮቢ ኣዳራሽ ካረን ሞራን ዝቕጽል ዘሎ ልዝብ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ተጸበይቲ ረዲኤት ንምብጻሕ ዝሕግዝ ምዃኑ ተዛሪቡ። “ቀዳማይ ዕላማ እዚ ዘተ፡ ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመት ተቛሪጾም ንዝጸንሑ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ምጅማር፤ ሰብኣዊ ረዲኤት ምቅልጣፍ ከምኡ'ውን ብሰንኪ'ቲ ኲናት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ተቛሪጹ ዘሎ ኣገልግሎታት ምጅማር ምዃኑ ተረዲእና ኣለና\" ክብል ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ ኣሎ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c0483eyxe5ro"} {"headline":"ኣምበሳደር ሬድዋን፡ ኣብ እዋን ዘተ እቲ ቀንዲ ብድሆ ዘይምትእምማን’ዩ ነይሩ","content":"ንክልተ ዓመት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት ደው ንምባል ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ናብ ተግባር ዝሰጋገረሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። መጀመርታ 2 ሕዳር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ተጻብኦታት ደው ምባል፡ ምፍታሕ ዕጥቂ ህወሓትን ካልእን ዝሓዘ 12 ነጥብታት ዘለዎስምምዕ ደሕሪ ምፍርራም፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ናይሮቢ ንሓሙሽተ መዓልታት ድሕሪ ምዝታይ ኣብ ኣተገጋብራ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ኣብ ሓደ ስምምዕ ብምብጻሕ ብቀዳም 12 ሕዳር ውዕል ፈሪሞም። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኣብ ኬንያን ኣብ ዝተኻየደ ዘተ፡ ላዕለዋይ ሓላፊ ተዛተይቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምኡ’ውን ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣማኻሪ ጸጥታ ዝኾነ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ኣብ ናይሮቢ ምስ ቢቢሲ ዝገበሮ ሓጺር ቃለ  መሕተት ይስዕብ። ቢቢሲ፡ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝተኻደ ዘተ እቲ ቀንዲ ብድሆ እንታይ’ዩ ነይሩ? ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ እቲ ቀንዲ ፈተና ዘይምትእምማን’ዩ ነይሩ፡ ብሰለስት ገጻት ናይ ኲናት ኢና ሓሊፍና። ከምኡ ኸኣ ክስታት ዝርከብዎም ብዙሓት ጉዳያት’ዮም ነይሮም። ኣዝዩ ዓሚቕ ዘይምትእምማን ስለዝነበረ ንክሊቲኦም ወገናት ዘሻቕል  ጉዳያት ንምትዕርራይ ክንሰርሕ ጸኒሕና። ስለዚ ኣብ ሞንጎና ዝነበረ ፍልልይ ንምምላእን ናብ ሓባራዊ ስምምዕ ንምምጻእን ዝኸድናዮ ሓደ መንገዲ ኮይኑ እቲ ካልእ፡ መንግስቲ ፌደራል ዝውክሎ ህዝቢ ኣሎ፡ እቲ ካልእ ወገን’ውን ብተመሳሳሊ ዝወከሎ ህዝቢ ኣሎ፡ ነዞም ክልተ ኣካላት ዝወከሎም ኸኣ ዝጽበዮ ነገር ኣሎ። ስለዚ ቅኑዕ ዘይኮነ መልእክቲ ከሕልፉ ይኽእሉ’ዮም ዝበልናዮም ጉዳያት ብሓባር ከነዐርዮም ነይሩና። ኣብዚ፡ ንነፍሲ ወከፈ ሰነድ ምምልካትን ብዝበለጸ ምትዕርራይን ክንገብር ነይሩና። እዚ ምግባርና ነቲ ውዕል ሰላም ክዕንቅፉ ዝኽእሉ መልእክትታት ከይህልዉ ካብ ዝብል እዩ። ብቅኑዕ ልቦና ዝተገበረ ኮይኑ ግን ኸኣ ኣህላኽን በዳህን’ዩ ነይሩ። ዋላ’ዃ እዚ ስምምዕ [ኣብ ኬንያ ዝተገበረ ስምምዕ] ነቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ከመይ ይተግበር ኣብ ዝብል ስለዝኾነ ቅልል ዝበለ ክኸውን’ዩ ዝብል ሓሳብ እንተነበረ፡ ዘይምትእምማን ስለዝነበረ ከቢድ ክኸውን ክኢሉ’ዩ። እቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኻየደ ዘተ ግን ከቢድን ኣዝዩ ኣሸጋርን’ዩ ነይሩ። እዚ ኣብ ኬንያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ ወተሃደራውን ጸጥታውን ዓይኒ ብምምልካት ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ዝሰማምዕሉ’ዩ ነይሩ። ነቲ ንምትግባሩ ዘሸግርን ዘየሸግርን እቶም ወተሃደራውያን ሓለፍቲ’ዮም ዝፈልጥዎ፡ እንተኾነ ካብ ፈለማ ተታሒዞም ዝመጽኡ ዘይምትእምማን ነይሮም’ዮም። ስለዝኾነ’ዩ ካብቲ ዝተሓሰቦ ንውሕ ዝበለ ግዜ ወሲድና ኮፍ ኢልና ነቲ ዝነበረ ፍልልይ ከነዐርዮ ፈቲንና። እንተኾነ ነዚ ኹሉ ሓሊፍና ነቲ ስምምዕ ፈሪምና ኣለና። ድሕሪ ሕጂ እቲ ሓላፍነት ናትና’ዩ። ካባና ትጽቢት ዝግበር ነገራት ተረዲእና ምትዕርራይ፡ ብቆራጽነት ምቅጻልን ከምኡ’ውን ነዚ ስምምዕ ንምትግባር ዘጋጥሙና ዕንቅፋታት ምስጋር ከድሊ’ዩ። እቲ ስምምዕ ኣብ መወዳእታ ውጽኢታዊ ኮይኑ ተዛዚሙ’ሎ። ቢቢሲ፡ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ከም ዝተሓበረ፡ ስግግር ፍትሒ ኣካል እቲ ስምምዕ  ክኸውን እዩ። እንተኾነ፡ እቲ ፖለቲካዊ መስርሕ  ነቲ ናይ ፍትሒ መስርሕ ከይዕብልሎ ስግኣት ኣሎ። ኣብዚ ኩናት ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝተፈጸሞም ዜጋታት፡ ፍትሕን ካሕሳን ክረኽቡ፡ መንግስቲ ፌደራል ክሳብ ክንደይ ድሉውእዩ? ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ ኣብዚ ኲናት ገበናዊ ተግባራት ተፈጺሞም’ዮም፡ ገለ ገለ ብመርትዖ ክስነዩ ዘለዎም’ዮም። ካልእ’ውን ኣስፊሕካ ምዕዛብ ዝሓቱ’ዮም። እቲ ቀንዲ ሽግር እዚ ገበን ጥራይ ኣይኮነን፡ እቲ ዝዓነወ ማሕበራዊ ምትእስሳር ይዓቢ። ኣብ ዝሓለፈ ሳላሳ ዓመታት ነቲ ብዙሑነት ናይ ብሄር ብሄረሰባት ካብ ልክዕ ንላዕሊ መጢጥካ ፖሎቲካዊ መልክዕ ብምትሓዝ  ናይ ሓባር መንነትናን ጥቅምናን ብምርሳዕ ስለዝተሃሰየ፡ ነዚ ዝተሃሰየ ማሕበራዊ ምትእስሳር ብምጽጋን ኢና ክንፈትሖ ንኽእል። ነዚ ኸኣ እቲ ማሕበረሰብ ብናቱ መንግዲ ብናይ ሓባር ኢትዮጵያውንት ደልዩ ከምዝረኽቦ ብምግባር ኢና ክንፈትሖ ንኽእል። እንተኾነ ብርግጽ ነቲ ዝተፈጸመ ገበናት ብመርትዖ ብምድጋፍ፡ እቶም ከቢድ ገበን ዝፈጸሙ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ተሓተትቲ ክኾኑ ኣለዎም። እዚ ጥረይ ግን ኣይኮነን፡ ብዙሓት ግዳያት መጥቃዕቲ ብቤት ፍርድን ብይቕሬታን ጥራይ ዘይኮነ፡ ክከሓሱን እቲ ዝኸሰርዎን ዝዓነዎምን ንኽምለሰሎም ክንሰርሕ ኣለና። ኪኖ እቲ ብናበራ፡ ስነኣእምሮኣዊ በሰላ ዝሓደገሎም’ውን ኣለዉ። ስለዚ እዚ [ኣብቲ ስምምዕ ዝተጠቀሰ] ናይ ፍትሒ መስርሕ ነቲ ማሕበራዊ በሰላ ንኽፍውስ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቶም ገበነኛታት ናብ ቤት ፍርዲ ብምቅራብ ፍትሒ ንኽርከብ’ውን ዘጠቃልል’ዩ። ቢቢሲ፡ድሕሪ እዚ ስምምዕ ዝስዕብ መስርሕ እንታይ’ዩ? ኣብ ቀጻሊ ክገጥመና ይኽእል’ዩ ትብልዎ ብድሆኸ እንታይ’ዩ? ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ ነዚ ሰላም እዚ ምምጻእና ኣብ ካልእ ክፋል ኢትዮጵያ ዘለዉ ጸገማት ንምፍታሕ ዕድል ዝህብ’ዩ። ከምኡ’ውን ነዚ ጸገም እዚ ክንፈትሕ እንተኽኢልና ኣብ ቀጻሊ ሃገርና ንክንሃንጽ ዕድል ዝህብ’ዩ። እዚ፡ ኣብ ቀጻሊ፡ ፍልልያትና ናብ ጸማዲ ግጭት ከየእትወና፡ ኣቐዲምና ከመይ ገይርና ክንፈትሖ ከምዘለና ትምህርቲ ዝህብ’ዩ ኢለ እሓስብ። እዚ መስርሕ ሰላም፡ ነዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካልእ ጸገማት’ውን ብኣሳታፊ ፖሎቲካዊ ዘተ ክፍታሕ ከምዝግባእ ኣብነት ክኸውን ዝግብኦ’ዩ። ኩሉ ኣካል ክስምዓሉ ዝኽእል መድረኽ ብምክፋት ፍልልያት ክፍታሕ ከምዝኽልእ ዘርኢ’ዩ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c0vq8z0enp2o"} {"headline":"ብስምምዕ ሰላም ዝተሓጎሱ ነበርቲ መቐለ ንግብራውነቱ ከምዝፅበዩ ገሊፆም","content":"ነበርቲ ከተማ መቐለ ነቲ ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ካብ ዝሰምዑ ጀሚሮም ታሕጓሶም ኣብ ምግላፅ ይርከቡ። ካብዚ ሓሊፉ ኵሎም እቲ ስምምዕ ሰላም ግብራዊ ክኸውን ይፅበዩ ኣለዉ። መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ቀረባ እዋን ነገራት ኣዝዮም ዝሓሹ ክዀኑ ብተስፋ ዝፅበዩ እዮም። ድሕሪ ምእዋጅ ምቁራፅ ኲናት ዕዳጋ መቐለ ብመጠኑ ክረጋጋእ ጀሚሩ፤ ብፍላይ ዋጋ መሰረታዊ ሸቐጣት መግቢ ክንኪ ይርአ'ሎ። ንኣብነት ዋጋ ሓደ ኩንታል ጣፍ ካብ 14 ሽሕ ናብ 8 ሽሕ ብር [ገንዘብ ኢትዮጵያ] ወሪዱ ኣሎ። ስርናይ ድማ ካብ 9 ሽሕ ናብ 3 ሽሕ ብር ንክዩ። ዋጋታት ዘይቲ፡ ሽኮርን በርበረን እውን ተስፋ ብዝህብ ኵነታት ክጐድል ክኢሉ'ሎ። ኵሉ ሰብ ብዛዕባ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ኣብ ምዝራብ ዝርከብ ኰይኑ፡ ንምዕባለታቱ ኣብ ምክትታትል ይርከብ። ካብ ዝተፈላለየ ክፍሊታት ሕብረተሰብ ዝመጹ ሰባት ሓሳባቶምን ርእይቶኦምን ከካፍሉኒ ሓቲተዮም። በቲ ስምምዕ ምቁራፅ ኲናት ኣዝያ ሕጕስቲ ዝዀነት ኣደ ክልተ ቈልዑ ራሄል ኣባይ፡ “ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ቦታ ንነብር ዘለና ንሕና ስለዝዀንና፡ ቅድሚ ዅሉ ብዛዕባ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ክንዛረብ ዝግባኣና’ውን ንሕና ኢና። እንተወሓደ፡ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከይፈራሕና ክንንቀሳቐስ ጀሚርና ኣለና” ኢላ። ብዙሓት ሰባት ኣብታ ከተማ ተመሳሳሊ ርእይቶ ኣለዎም። ከምኡ’ውን፡ ኣብቲ ጉዳይ ኣብ ውዑይ ዘተ የካይዱ 'ለው። ወዲ 32 ዓመት በላይ ታከለ ብወገኑ፡ “ንሕና ህዝቢ ትግራይ ልክዕ ከም ካልእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሰላም ክንነብር ኢና ንደሊ። ኲናት ክንደይ ዋጋ ከም ዘኽፈለና ንፈልጥ ኢና። ግን ድማ ኣብቲ ስምምዕ ሰላም ዘለዉ ወገናት መረጋገፂ ክህቡናን ነቲ ስምምዕ ከተግብርዎን ድልየት ኣሎና” ክብል ተዛሪቡ። በላይ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ መሬት ኢትዮጵያ ምህላዉ ግን ስክፍታ ኣሎዎ። “ብዛዕባ ‘ሻዕብያ’ (ሰራዊት ኤርትራ) ካብ መሬትና ምውፅኡ ዝሕብር ዜና ክሰምዕ እደሊ” ክብል’ውን ወሲኹ ገሊፁ። ኣብ ትግራይ ዘለዉ ሰባት፡ ናብ ኣምሓራን ዝተረፈ ክፋል እታ ሃገርን ዝወስድ መገዲ ክኽፈት ድልየት ኣሎዎም። ሰብኣዊ ሓገዝ’ውን ብቕልጡፍ ናብ ትግራይ ክኣቱ ኣለዎ። ካብቶም ዝዝተየሎም ዘለዉ ዓበይቲ ጉዳያት እቲ ሓደ፡ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ (TDF) እዩ። ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክኽበር ከምዘለዎ ይኣምኑ እዮም፤ ግን ድማ ኣብ ልዕሊ'ቲ ንኽልተ ዓመት ዝኸደ ኲናት ትግራይ ግፍዒ ፈጺሙ ዝበልዎ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ እምነት የብሎምን። ተስፋይ ኣድሓኖም ኣብ መቐለ ዕዳጋ ዓዲሓቂ ነጋዳይ ኰይኑ፡ “ወረርቲ ኤርትራ” መዓስን ከመይን’ዮም ካብ ሃገርና ክወጽኡ ክብል ይሓትት። ኣስዒቡ “ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኤርትራ ንምንታይ እዩ ዕጥይጥይ ዝብል ዘሎ?” ኢሉ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ነቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ከምዝተቐበሎን ንትግባረኡ ድልው ከምዝዀነን ወግዓዊ ገይሩ’ሎ። ተጋሩ ዲያስፖራ ግን ኣብቲ ስምምዕ ሰላም ዘለዎም ጥርጣረ ኣብ ምግላፅ ይርከቡ። መብዛሕትኦም ነቲ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ ዘገድድ ድንጋገ ኣይቅበልዎን። ኣብ ዘካየድዎም ሰልፊታት ተቓውሞ እውን፡ ነዚ ድምጾም የስምዑ ከምዘለዉ ይርአ። ኵሉ ትግራዋይ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ክወጽእ ዝብል ድንጋገ ኣብ ትሕቲ እቲ ስምምዕ ሰላም ክሕወስ ከም ዝነበሮ ይገልፅ። ከምቲ ዝረኣኽዎ ኣብ ልዕሊ ሰማይ መቐለ እትዝንቢ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ስለዘየላ፡ ነበርቲ ብዘይስግኣት ናብ ዕዳጋ ክወፅኡ ጀሚሮም ኣለዉ። ኣብታ ከተማ ዘሎ ምንቅስቓስ ብተዛማዲ ናብ ንቡር ተመሊሱ ኣሎ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crgqy9r1rvno"} {"headline":"‘ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ዝሃለዉ ዕጥቅና ኣይንፈትሕን'- ጌታቸው ረዳ","content":"ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ዝሃለዉ ዕጥቆም ከምዘይፈትሑ ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ተዛሪቡ። ኣቶ ጌታቸው ረዳ ምስ መደብ ቢቢሲ 'ሪል ስቶሪ' ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ‘ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ዝሃለዉ ዕጥቅና ኣይንፈትሕን ዲኻ ትብል ዘለኻ?’ ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ “እወ። እቲ ስምምዕ ከምኡ እዩ” ብምባል መሊሱ። ብመሰረት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፈረምዎ ስምምዕ ሰብኣዊ ረዲኤት ንልዕሊ 6 ሚልዮን ህዝቢ ክበጽሕ ይጽበዩ ከምዘለዉ'ውን ሓቢሩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሰብኣዊ ደገፍ ናብቲ ክልል ክኣቱ ጀሚሩ'ሎ። ብዘይካ'ዚ፡ ብድሕሪ’ቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተፈረመን ኣፈጻጽምኡ ብዝምልከት ኣብ ኬንያ ውዕሊ ዝተኣተወሉን ስምምዕ ሰላም፡ ሰራዊት ኤርትራ \"ሰፊሕ ግፍዕታት ይፍጽም ኣሎ\" ክብል'ውን ኣቶ ጌታቸው ከሲሱ'ሎ። \"ኣብዛ ንዘራረበላ ዘለና ሰዓት እውን ሰፊሕ ዝምታ፣ ዕንወት ንብረትን ቅትለት ሰላማውያን ሰባትን ኣሎ” ክብል ኣብቲ ትማሊ ዘካየዶ ተወሳኺ ቃለመሕትት ጠቒሱ። ብሰንኪ ምቁራጽን ምግዳብን መስመራት መራኸቢታት ቢቢሲ ነቲ ክስታት ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን። ሰብመዚ ኤርትራ ሓይልታቶም ኣብ ትግራይ ግፍዕታትን ከቢድ ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ፈጺሞም ንዝብል ጸብጻባት ክነጽግዎ ጸኒሖም'ዮም። ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ኩሎም ሓይልታት ምግሃስ መሰላት ከምዝፈጸሙ ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰባዊ መሰላት ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ተሓለቕቲ መሰላት ይገልጹ። ኣቶ ጌታቸው፡ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዘለውሉ ይኹን እቲ ግፍዕታት ዝተፈጸመሉ ቦታታት ግን ብንጹር ኣይጠቐሰን። ኤርትራ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ሓይልታታ ኣብቲ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ትግራይ ከተሳትፍ ምጽንሓ ይፍለጥ። ሰበስልጣን ኤርትራ ህወሓት ኣብ ልዕሊኦም መጥቃዕቲ ክፍጽም መደባት ስለዝነበሮን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ንምድጋፍን ኣብቲ ኲናት ሓድሕድ ኢዶም ከምዘእተዉ'ዮም ዝዛረቡ። መራሕቲ ህወሓት ነቲ ንመግለጺ ሰብመዚ ኤርትራ ኣይቅበልዎን'ዮም። ኣመሪካ፡ ምስቲ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታ ዝርከብዎም ሰበስልጣንን ሰራዊትን ኤርትራ እገዳ ምንባራ ይፍለጥ። ሓይልታት ትግራይ ፈጺሞሞ ንዝብሃል ምግሃስ መሰላት ብናጻ ኣካል ክምርመር ፍቓደኛታት ምዃኖም'ውን ኣቶ ጌታቸው ገሊጹ'ሎ። ኣብቲ ብ2 ሕዳር ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓት ዝተፈረመ ስምምዕ ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት፡ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ከውርዱ ህወሓት ምፍራሙ ይዝከር። ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ክልቲኦም ወገናት ብ12 ሕዳር ኣብ ናይሮቢ ዝፈረምሉ ኣዋጅ ድማ \" ምውራድ ከበድቲ ኣጽዋራት [ሓይልታት ትግራይ]፡ ሓይልታት ወጻኢ ከምኡ’ውን ካብ ሓይሊ ምክልኻል ፈደራል ወጻኢ ዝዀኑ ሓይልታት ካብቲ ክልል ኣብ ዝወጽኡሉ ሓቢሩ ዝፍጸም'ዩ\" ይብል። ብወገን ህወሓት፡ እቲ ኣብቲ ስምምዓት ስሙ ዘይተጠቕሰ \"ናይ ወጻኢ ሓይሊ ናይ ኤርትራ’ዩ ዝብል እምነት ኣለና\" ክብሉ ገሊጾም ኣለዉ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ብትዊተር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ \"ካብ [ሰራዊት] ምክልኻል ወጻኢ ዘለዉ ሓይልታት ክወጹ'ዮም ዝብል ቅኑዕ'ዩ\" ከምዝበለ ይፍለጥ። ሓይልታት ትግራይ \"ዕጥቆም ፈቲሖም ናብ ተሓድሶ እንተ ኣትዮም [ናይ ወጻኢ ሓይልታት] ኣብኡ እንታይ ዘጽንሕ ኣለዎም\" ክብል’ውን ኣነፂሩ። “እቲ ስምምዕ መንግስቲ [ፌደራል] እቶም ናይ ደገ ሓይልታት ከምኡ’ውን ኣካል ሰራዊት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘይኮኑ ካልኦት ሓይልታት ካብ ትግራይ ምውጽኦም ከረጋግፅ ሓላፍነት ዝህብ’ዩ” ክብል ገሊፁ። ሓይልታቶም ዕጥቂ ኣልዒሎም ክቃለሱ ዝፀንሑሉ ምኽንያት ድሕነትን ውሕስናን ህዝቦም ንምርግጋፅ ከምዝነበረ ዝጠቐሰ ኣይተ ጌታቸው፡ “እዚ ድሕነትን ፀጥታን ብዝኾነ ይኹን መገዲ ክሳብ ዝተረጋገፀ ግን ከበድቲ ኣፅዋርን ታንክን ክንዓጥቕ ድልየትና ኣይኮነን” ኢሉ። መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ይኹን፡ እዋናዊ ሃለዋት ሰራዊቱ ኣብ ትግራይ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ የለን። ኣብቲ ክልተ ዓመት ዝመልኦ ኲናት ሓድሕድ ብኹሎም ተፃባእቲ ወገናት ግፍዕታትን ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ከምዝተፈጸሙ ዓለምለኻውያን ትካላት ሰብኣዊ መሰለት ይገልፁ። ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ብዕጡቓት ክቕተሉ ከለዉ፤ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮን ህፃናትን እውን ፆታዊ ግህሰት ብስፍሓት ከምዝተፈፀመ ፀብፃባት የመልክቱ። ሓይልታት ትግራይ እውን ግፍዕታት ከምዝፈጸሙ ንዝገልጽ ጸብጻባት ዓለምለኸ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ “ብናትና ሰራዊት ዝተፈጸመ ግፍዕታት ከምዘሎ ክስታት ይቐርብ እዩ። ንሕና ግን ካብ ፈለማ ኣትሒዝና ዘይሻራዊ ኣካል ንከፃርዮ ድልዋት ከምዝኾንና ኢና ብቐጻሊ ንገልፅ ዝነበርና” ኢሉ። ሓይልታቶም ነቶም ገበናት ከምዝፈጸሙ ዘረጋፅ መረዳእታ እንተሃልዩ ንምርመራ ድልዋት ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ። “ሓደ ነገር ከረጋግፀልካ ዝድልዮ ግን ወተሃደራትና ስልታዊ ብዝኾነ መገዲ ዝፈጸምዎ ገበን ኲናት የለን። ብደረጃ ውልቀሰባት ዝፍጸም ግን ክህልው ይኽእል እዩ። ንሕና ብውልቀና’ውን እንተኾነ ንምርመራ ድልዋት ኢና” ክብል ተዛሪቡ። ብወገን ሓይልታቶም ገበናት ኲናት ዝፈጸሙ ምህላዎም ብመረዳእታ እንተተረጋጊጹ ናብ ቅድሚ ፍትሒ ንምቕራብ ድልዋት ከምዝኾኑ ኣብቲ ምስ ቢቢሲ - ‘ዘ ሪል ስቶሪ’ ዝገበሮ ፃንሒት ኣረጋጊፁ። ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ኣምሓራን'ውን፡ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ዝርከብዎ ምግሃስ መሰላት ፈጺሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ። ኣብቲ ኲናት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሲቪላውያን ዝርከብዎም ሰባት ከምዝቐትሉ ይንገር። ኣይተ ጌታቸው ከምዝበሎ፡ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ኣብ ዝነበረ እዋን 6 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ረድኤት የድልዮ ነይሩ። “ኣብዚ እዋን ቁፅሪ ኣብ ትግራይ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ልዕሊ 6 ሚልዮን ኮይኑ’ሎ። ብሰንኪ እቲ ኲናት ከኣ 1.5 ሚልዮን ተወሰኽቲ ሰባት ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ስለዝተፈናቐሉ እቲ ኩነታት ከቢዱ እዩ” ኢሉ። ቁፅሪ ናይቶም ተፀበይቲ ሓገዝ ዝኾኑ ሰባት ይውስኽ ምህላዉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ምፅዋር ካብ ዝከኣል ንላዕሊ ይሓስም ምህላዉ ኣረዲኡ። \"ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ህዝብና ክበጽሕ ምግባር ኣካል እቲ ስምምዕ ስለዝኾነ ትካላት ረድኤት ዝገብርኦ ሓገዛት ክንጽበ ኢና” ኢሉ። ኣብዚ ሰሙን'ዚ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ገለ ከባቢታት እቲ ክልል ክኣቱ ከምዝጀመረ ሕቡራት ሃገራትን ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ኣፍሊጦም ኣለዉ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ናይ መግቢ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት ናብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከምዝኣተዋ ብረቡዕ ምግላፁ ይዝከር። እቲ ትካል ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ብመስመር ጎንደር ዝኣተወ ቃፍላይ ድሕሪ ሰነ 2021 ንፈለማ እዋን ዝኣቱ ዘሎ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ተወሳኺ መግቢ፡ መኣዛዊ ትሕዝቶ ዘለዎ መግቢ፡ ሕክምናዊ ነገራት ዝሓዘ ጽዕነታት ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ብኹሉ ዝክኣል መስመራት ክስዕብ'ዩ\" ክብል ሓቢሩ ነይሩ። ክልቲኦም ትካላት ናብ ከተማ ሽረ ናይ ፈተነ ሰብኣዊ በረራታት ከምዘካየዱ'ውን ገሊጾም ኣለዉ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c0drz38npdjo"} {"headline":"ኣብ ትግራይ ልዕሊ 2400 ህጻናት ብሰንኪ ዋሕዲ መግቢ ሞይቶም","content":"ኣብ ትግራይ ኵናት ካብ ዝጅመር ንደሓር ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ህጻናት ብዋሕዲ መግቢ ዝተሃሰዩ ኮይኖም ልዕሊ 2400 ህጻናት ከምዝሞቱ መረዳእታ ሓለፍቲ ጥዕና ትግራይ የመልክት።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw57g7edr27o"} {"headline":"ንኽልተ ዓመት ዝቐፀለ ስቓይ ህዝቢ ትግራይ","content":"ትግራይ፡ ብሰንኪ’ቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት፡ ሰላም ርሒቝዋ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ነበርታ ረጊፎም፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ተመዛቢሎም፡ ንሕልና ዝኸብዱን ንሰማዒ ዘሰንብዱን ግፍዕታት ተፈጺሞምዋ እዮም። ኣብ መንጐ ፌደራል መንግስቲን ሓይልታት ትግራይን ዝተወልዐ ኲናት ነታ ክልል ኣብ ጸልማት ክትነብር ገይርዋ'ሎ። ትግራይ ካብ መሰረታዊ ኣገልግሎት ተፈላልያ’ላ። ኣብታ ክልል ሰላም ጥራሕ ዘይኰነስ ንመዓልታዊ ናብራ ኣገደስቲ ዝዀኑ ኣገልግሎታት እውን የለዉን። ትምህርቲ፡ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ነዳዲን ከምኡ እውን ኣገልግሎት ቴሌኮምን ባንክን ተቛሪፁ ኣሎ። መሰረታዊ መሰረተ ልምዓት (ትሕተ-ቅርጺ) ዓንዮም፤ ንጥፈታት ሕርሻ፡ ሕክምናን ካልኦት መንግስታዊ ኣገልግሎታትን ተሰናኺሎም ይርከቡ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ነበርቲ ኣብ ሓደጋ ጥሜት ዝወዲቘም፡ ብሰንኪ ሕጽረት መድሃኒት ከኣ ብዙሓት ክሞቱን፡ ዝተረፉ ድማ ብኸቢድ ጸገምን ብድሆን መነባብሮኦም ክደፍኡ ተገዲዶም ይርከቡ። ቅድሚ ክልተ ዓመት ብ24 ጥቅምቲ 2013 [ግእዝ] ድሕሪ ዝተወለዐ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ፡ ኵሎም ተዋጋእቲ ሓይልታት \"ንምስምዖም ዘስካሕክሑ\" ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሞም ብዝብል ክኽሰሱ ጸኒሖም እዮም። ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈፀሙ ግህሰታት ኲናት ክምርምር ዘቘሞ ኮሚሽን፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣብ ዘውጽኦ መባእታዊ ጸብጻቡ፡ እቶም ዝተፈፀሙ ከበድቲ ግህሰታት ንገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ዝዳረጉ ምዃኖም ኣፍሊጡ ነይሩ። ብተወሳኺ ጥሜትን ተበጻሕነት ሰብኣዊ ረድኤት ምትዕንቓፍን ጾታዊ ዓመጽን ከም መሳርሒ ኲናት ምውዓሎም ኣመልኪቱ። ብዘስካሕክሕ ደረጃ ዓመጽን ጾታዊ ግህሰትን ከምዝተፈጸመ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ኵሎም ኲናት ዝተኻየደሎም ከባቢታት ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ፡ ኣብ ትግራይ ግን እቲ ዝኸፍአን ጭካነ ዝተመልኦን ከምዝነበረ ይጠቅስ። እቶም ዓመጻትን ጾታዊ ግህሰታትን ዝተፈጸሙ ድማ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንትግራይ ምስ ተቘጻጸረ ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ዕጡቓት ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ እውን ኣባላት ፋኖ ነቶም ተግባራት ከምዝፈፀሙ ዕላዊ ምግባሩ ይዝከር። እቲ ጸብጻብ ኣብ ዝወጸሉ እዋን እውን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዓመጽን ጾታዊ መጥቃዕትን ከምዝቐፀለ ብዝርዝር ገሊጹ ነይሩ። ብተመሳሳሊ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝተቘጻጸርዎ ከባቢታት ኣምሓራን ዓፋርን ዓመጽን ጾታዊ መጥቃዕትን ከምዝፈጸሙ ጸብጻብ እቲ ኮሚሽን ምሕባሩ ይዝከር። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ጸብጻብ ብምንጻግ፡ \"ብስም መርመራ ዝተዋህበ ፖለቲካዊ መግለጺ\" ክብል ነቒፍዎ። እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዘረባ ዘስምዐ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ነቶም ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት \"ሰፊሕ ፕሮፖጋንዳ ኣሎ\" ክብል'ኳ እንተገለጸ፡ ኣብ ትግራይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈጸመ ግን ተኣሚኑ’ዩ። \"ሰራዊትና ንገበነኛታት ክቈጻጸር እምበር ግህሰት ክፍጽም ኣይለኣኽናዮን። ኣብ ገበን ዝተሳተፈ ወተሃደር እንተሃልዩ ብሕጊ ተሓታቲ ክኸውን እዩ\" ኢሉ ነይሩ። ብተወሳኺ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኤርትራን ምስ መሻርኽቶም ብምዃን ንህዝቢ ትግራይ ዘድልዮ መግቢ፡ ትምህርቲን ን ሕክምናን ብዝተወደበ መንገዲ ብሰፊሑ ኣዕኒዮም እዮም ክብል እቲ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝቘመ ኮሚሽን ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ’ሎ። ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ገበናት ጸረ ሰብኣውነትን ዓሌታዊ ጽንተትን ብመልክዕ ወፍሪ ከምዝተፈጸሙ ክልተ ዓለምለኻውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሚያዝያ ኣብ ዘውጽእዎ ጸብጻብ ኣመልኪቶም። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን ኣብ ዝዘርግሕዎ ጸብጻብ ካብ ጐረቤት ክልል ኣምሓራ ዝመጹ ሓይልታት ጸጥታን ሰበስልጣንን ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዓሌታዊ ጽንተት የካይዱ ከምዘለዉ ኣመልኪቶም። እቶም መጥቃዕትታት ከኣ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበናት ኲናትን ምዃኖም እቲ ጸብጻብ ይሕብር። እንተዀነ መንግስቲ ፌደራልን ክልል ኣምሓራን ነቲ ጸብጻብ ኣይተቐበልዎን። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ መፋርቕ 2013 [ግእዝ] ካብ ዝተፈላለያ ትካላት ጥዕና ዝተኣከበ መረዳእታ መሰረት ብምግባር ንበይኑ ኣብ ዘውፀኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ጾታዊ ግህሰት ከም ዝተፈጸመን 1,288 ግዳያት ናብ ትካላት ሕክምና ብምኻድ ዝበጽሐን መጥቃዕቲ ከምዝሓበራን ኣመልኪቱ። እቲ ኣሃዝ ግን ነተን ናብ ትካላት ጥዕና ዝኸዳ ጥራይ ዘመልክት ስለዝዀነ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ትግራይ ዝተዓመጻ ደቂ ኣንስትዮ ጭቡጥ ቁጽሪ ኣይገልፅን። ብተወሳኺ፡ ኣብ ትግራይ ደቂ ኣንስትዮ ብጕጅለ ከምዝተዓመጻ፡ ንባርነት ጾታዊ ርክብ ከምዝተቓልዓ፡ ናብ መራብሒ ኣካላተን ባዕዳዊ ነገራት ክኣትወን ከምዝተገበረን ገሊኤን ድማ ብኤችኣይቪ ከምዝተለኽፋን እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ። ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ’ውን ሓይልታት ኣምሓራን ዕጡቓት ፋኖን ነዚ መጥቃዕቲታት ከምዝፈፀሙ ጠቂሱ ነይሩ። ነዚ ስዒቡ፡ ዋና ጽሓፊት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣግነስ ካላማርድ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ “ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዘይሓዊ ኣካላውን ስነ ልቦናውን ጉድኣት ንምውራድ፡ ምድፋርን ፆታዊ መጥቃዕትን ከም መሳርሒ ኲናት ከም ዝገልገሉ ብሩህ እዩ\" ኢላ። ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ክልል ትግራይ ጥራይ ዝተሓፀረ ኣይኰነን። እቲ ኲናት ምስተወልዐ፡ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ዝተፈላለዩ ከባቢታትን እታ ሃገር ብሰንኪ መንነቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኣህጉራዊ ትካላት ተጣበቕቲ መሰላትን ኣረጋጊጾም’ዮም። ነቲ ተግባር ብምኹናን ድማ ብቕልጡፍ ደው ክብል ሓቲቶም። ሰብመዚ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ጃምላዊ ማእሰርቲ፡ ምስዋርን ካልኦት ግህሰታትን ከምዝፈፀሙ ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎች የመልክት። ሓይልታት ትግራይ ንዝተፈላለዩ ከባቢታት ተቘጻጺሮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ገጾም ኣብ ዝግስግሱሉ ዝነበሩ እዋን፡ ነቲ ብፌደራላዊ መንግስቲ ዝወፀ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ስዒቡ ንብሄር መሰረት ዝገበረ ማእሰርቲ ይፍጸም ከምዝነበረ ዘመልክቱ ጸብጻባት ተዘርጊሖም’ዮም። እቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣብ ግብሪ ምስ ወዓለ፡ ካብ ሕዳር ክሳብ ለካቲት ጥራይ ልዕሊ 15 ሽሕ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ነይሩ። ሮይተርስ ብወገኑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዝነበሩ ተወለድቲ ትግራይ ብምዝርራብን ኣሳእል ሳተላይት ብምግምጋምን ቁጽሪ ዝተኣስሩ ሰባት ካብቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተገልጸ ብውሑዱ ብ3 ሽሕ ከም ዝዛይድ ሓቢሩ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ) እውን እቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ካብ ዝፀደቐሉ መዓልቲ ጀሚሩ ሰባት ካብ ስርሖም፡ ገዛኦምን ጐደናታትን ከይተረፈ ተታሒዞም ኣብ ዝተፈላለያ መደበራት ፖሊስ ከምዝርከቡ ኣብቲ እዋን ምግላፁ ይዝከር። እዚ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ገለ መደበራት ፖሊስ ሰባት ነቶም ዝተኣስሩ ኣባላት ስድራቤቶም መግቢ፡ ክዳንን መሰረታዊ ነገራትን ከብጽሑ ይዅን ክሓቱ ከምዘይከኣሉ ዝሓበረ ኢሰመኮ፡ ህጻናት ዝሓዛ ኣደታት፡ ክትትል ሕክምና ዘድልዮምን ንዝተፈላለዩ ጸገማት ዝተቓልዑ ሰባት እውን ከምዝተኣሰሩ ኣፍሊጡ ነይሩ። ብኻልእ ገጽ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተወለድቲ ትግራይ ካብታ ኣብ ዶብ ትግራይን ዓፋርን እትርከብ ከተማ ኣብዓላ ናብ ከተማ ሰመራ (ዓፋር) ምስተወስዱ እኹል ኣገልግሎት ጥዕናን ሓገዝን ኣብ ዘይብሉ መጽንሒ ማእከል ክሰፍሩ ከምዝተገበሩ ጸብጻባት ኣቃሊዖም ምንባሮም ይዝከር። ኣብቲ እዋን ብቢቢሲ ቃለ መሕትት ዝተገብረሎም ኣብቲ ማእከል ዝነበሩን ተወለድቲ ትግራይ፡ ኣብቲ ቦታ ካብ ዝነበሩ ሰባት ዝሞቱ ከምዘለዉ ገሊፆም ነይሮም። ነቲ ኲናት ስዒቡ ዝመፀ ተነጽሎ ትግራይ ካብ መሰረታዊ ኣገልግሎታት፡ ንስርዓተ ጥዕና ብሕሱም ሃስይዎ፣ ሕጽረት መሰረታዊ መድሃኒታት ንተሓከምቲ ይቐትል ኣሎ። ኣብቲ ክልል ዝነበረ ውሱን መጠን ክታበት፡ ፀረ-ቃንዛን ኢንሱሊንን ዝኣመሰሉ መድሃኒታት ከምዝተወድኡ ዝሓለፈ ዓርቢ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ ነይሩ። ብሕክምና ክፍወሱን ንምክልኻሎም ብዝከኣልን ሕማማት ዝሞቱ ሰባት ቍጽሮም ብዝለዓለ ደረጃ ክውስኽ ከምዝኽእል’ውን ኣጠንቂቑ። ብሰንኪ እቲ ኣብታ ክልል ዝተነበረ እገዳ፡ መድሃኒትን ናውቲ ሕክምናን ከእቱ ከምዘይከኣለ ክገልጽ ዝጸንሐ እቲ ዓለማዊ ትካል፡ ነቲ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ተዅሲ ደው ምባል ተጠቂሙ ዝተወሰነ ረድኤትንመድሃኒትን ከብጽሕ ክኢሉ ነይሩ። ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከባ ማእከላት ጥዕና እተን 9 ሚእታዊት ጥራሕ ኣገልግሎት ይህባ ኣለዋ፤ እዚአን’ውን ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ኣብ ፀገም ምህላወን ሰበስልጣን ትካል ውድብ ጥዕና ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣፍሊጦም ኣለዉ። ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም መራሒት ጕጅለ ኢትዮጵያ ኢልሃም ዓብደልሓይ ኑር፡ ኣብ ትግራይ ቍጽሪ ናይቶም ብሕፅረት መግቢ ዝሳቐዩ ህጻናት \"ዘሰንብድ\" ምዃኑ ብምግላፅ፡ ካብቶም ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም እቶም ሓደ ሕምሲት ብኸቢድ ሕፅረት መግቢ ከምዝሳቐዩ ኣፍሊጣ። ኣብቲ ክልል ብዛዕባ ዘሎ ቅልውላው ጥዕና ብተደጋጋሚ ዝዛረብ ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም \"ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ቅልውላው ዝግባኦ ቆላሕታ ክህቦ እሓትት። ኣብዚ እዋን፡ ምጽናት ዓሌት ንምክልኻል ጸቢብ ዕድል ኣሎ\" ኢሉ። ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ወይ ‘ኤምኤስኤፍ’ ዝተበሃለ ኣህጉራዊ ትካል፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና ትግራይ ኮነ ኢልካ ሰፊሕ ምዝማትን ምዕናውን ከምዝተፈጸመ ኣብ መፋርቕ 2013 ዓ\/ም ኣብ ዘውፀኦ መግለጺ ኣፍሊጡ’ዩ። ኤምኤስኤፍ ኣብ ትግራይ ንዝርከባ 106 ትካላት ጥዕና ድሕሪ ምዕዛብ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፡ ሰለስተ ርብዒ ካብአን ከምዝተዘመታ ሓቢሩ። ገለ ካብቲ ዝምታ እውን ብወተሃደራት ከምዝተፈጸመ ገሊፁ። ካብተን ዝተዓዘበን ትካላት ጥዕና እተን 13 ሚእታዊ ጥራይ ኣገልግሎት ክህባ ከም ዝኽእላ’ውን ወሲኹ ሓቢሩ። ኤምኤስኤፍ ኣብ ትግራይ ካብ ዝዳህሰሰን ትካላት ጥዕና እተን 65 ሚእታዊ ምሉእ ብምሉእ ካብ ኣግውልግሎት ወጻኢ ዝዀናን ሰብ ሞያ ዘይብለንን እየን። ፈጻሚ ዳይረክተር ኤምኤስኤፍ ኦሊቨር ቤን ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ \"ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከቢድ ጉድኣት የብጽሕ ኣሎ\" ክብል  ገሊፁ’ሎ። ኣብ ትግራይ ብዘጋጥም ከቢድ ሕፅረት ምግቢ መዓልታዊ ህጻናት ከምዝሞቱ ውድብ ጥዕና ዓለም ወግዓዊ ምግባሩ ይፍለጥ። ብሰንኪ’ቲ ዕንወት ትካላት ጥዕና ትግራይ፡ ፀገም ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ምቁራፅ ንህይወት ዘስግኡ ሕማማት ንምፍዋስ ዝውዕሉ መድሃኒትን ብዙሓት ሰባት ይሞቱ ኣለው። ኣብ መቐለ ዝርከብ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር እውን በዚ ጸገም ይፍተንን መሰረታዊ ኣገልግሎት ሕክምና ደው ከብልን ተገዲዱ ኣሎ። ንኣብነት ሕማም ሽኮር ክነልዕል። ኣብ ትግራይ ኣስታት 27 ሽሕ ተሓከምቲ ሕማም ሽኮር ከኒና እናወሓጡ ወይ ብመርፍእ ህይወቶም ከምዘቐጸሉ ዳይረክተር እቲ ሆስፒታል ዶክተር ክብሮም ገብረስላሴ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ካብዚኦም እቶም ልዕሊ 8 ሽሕ ትሕቲ 14 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት እዮም። ዓይደር ኣብቲ ክልል እቲ ዝዓበየ ሆስፒታል እዩ። እቲ ሆስፒታል ብዅነታት እቶም ሕሙማት ካብ ምሕዛን ሓሊፉ ካልእ ነገር ክገብረሎም ከምዘይክእል ዶክተር ክብሮም ገሊጹ። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ሰሙን ክሳብ 12 ሰባት ይሞቱ። ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዘጋጠመ ጸገም ስርዓት ጥዕና ብዝኸፍአ ደረጃ ዝተሃስዩ ህጻናት እዮም። ካብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዝተረኸበ መረዳእታ ከምዘመልክቶ፡ ኣብቲ ክልል ኣብ 2022 ክታበት ዝረኽቡ ህጻናት ቍጽሮም ናብ ትሕቲ 10 ሚእታዊ ኣንቈልቊሉ ኣሎ። \"ዕሸላትን ህጻናትን ብሰንኪ ሕጽረት ክታበትን ህይወት ዘድሕኑ መድሃኒታትን ከምኡ’ውን ሕክምናዊ ናውቲ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ይቃልዑ\" ምህላዎም እቲ ቢሮ የመልክት። እዚ ድማ ለበዳ ሕማም ንፍዮ፡ ውፅኣት፡ መነንጃይተስ፡ ለምሲ [ፖልዮ]ን ካልኦት ለብዒታትን ኣብቲ ክልል ከምዘስዓበ’ውን ሓቢሩ። ለበዳ ሕማም ንፍዮ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ከምዘጋጠመ ዝጠቐሰ እቲ ቢሮ፡ ኣብ ዕሸላት ዘጋጥም ዝነበረ ሕማም ቴታነስ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ናብ ዜሮ ወሪዱ ከምዝነበረን ሐዚ ግን ኣብ 25 ህጻናት ከምዘጋጠመን ገሊፁ። ቢቢሲ ካብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዝረኸቦ መረዳእታ ከምዘመልክቶ፡ ቁፅሪ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብሰንኪ ሕፅረት መግቢ ዝሞቱ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻናት ትግራይ፡ ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ 4 ኣዋርሕ ኣቐዲሙ ምስ ዝነበረ ኵነታት ክነጻጸር እንከሎ ብ 1 ሽሕን 533 ሚእታዊ ወሲኹ’ሎ። ካብ ሓምለ 2013 ክሳብ ሓምለ 2014 [ግእዝ] ኣብ ዝነበረ እዋን 2 ሽሕን 450ን ህጻናት ኣብ ሆስፒታል ከምዝሞቱ ተፈሊጡ። ኣብቲ ክልል ሓበሬታ ምርካብ ብሰንኪ ፀገም መጓዓዝያ፡ ሕጽረት ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ካልኦት ምኽንያታት ኣፀጋሚ ኮይኑ ኣሎ። ስለዝኾነ ድማ እዚ ኣሃዛት ካብቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ዝረሓቐ ከምዝኸውን ይእመን። ብኻልእ ገጽ ንምጅማር ኲናት ስዒቡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልዕሊ 1 ሽሕን 500ን ትካላት ጥዕና ብሓይልታት ትግራይ ከምዝተዘመቱን ከምዝዓነዉን ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ይገልፅ። ኲናትን እገዳን ኣብ ትግራይ ከቢድ ሕፅረት መግብን ጥምየትን ኣስዒቡ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ክሳብ ናብ ልመና መግቢ ዝተቓልዑ ዶክተራትን ነርሳትን ቢቢሲ ኣዘራሪቡ። እዚ ድማ ብሰንኪ ኣብቲ ክልል ዝካየድ ስርሓት ሕርሻ ምቁራጹን ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ እገዳ ተነቢሩ ብምፅንሑን ዘጋጠመ እዩ። ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ጥምየት ሰባትን እንስሳትን ይሞቱ ምህላዎም ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ እቲ ክልል ዶክተር ኣትንኩት መዝገቦ ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ። እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ድሕሪ 8 ኣዋርሕ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ዩኒሴፍን ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ህዝቢ ትግራይ ህጹጽ ሓገዝ መግቢ ከምዘድልዮ ኣመልኪቶም’ዮም።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c51gve8rr7ko"} {"headline":"ዘተ ሰላም ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ክካየድ ጀሚሩ","content":"መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝገብርዎ ዘተ ሰላም፡ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ይካየድ ከም ዘሎ ተገሊጹ። እቲ ብብዙሓት ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ዘተ ሰላም፡ ካብ ሎሚ ሰሉስ 25 ጥቅምቲ ጀሚሩ ክሳዕ 30 ጥቅምቲ ክካየድ ምዃኑ ኣፈኛ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሓቢሩ። ቪንሰንት ማግዌኛ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቶም ተዋጋእቲ ሓይልታት ዘካይድዎ ልዝብ፡ ብሞንጐኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ኰይኑ፡ ፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ፣ ፕረዝደንት ኬንያ ነበር ኡህሩ ኬንያታን ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ፑምዚሌ ማላምቦ-ናኩክን ዘተሓባብርዎ ምዃኑ ሓቢሩ። ኣቦ መንበር ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሙሳ ፋቂ ብወገኑ ሎሚ ሰሉስ ኣማስዩ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ \"ንግጭት ክልል ትግራይ፡ ኢትዮጵያ ሰላማዊ መፍትሒ ንምርካብ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ፈላሚ ቀጥታዊ ዘተ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምጅማሩ\" ሓጎስ ከምዝተሰምዖ ገሊጹ። ኣብቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዘሎ ዘተሰላም ተወከልቲ ኢጋድ፡ ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ኣሜሪካን ይሳተፉ ከምዘለው እውን ሓቢሩ። ቪንሰንት ማግዌኛ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ \"ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኲናት ንከብቅዕ መድረኽ ሰላማዊ ዝርርብ ተአንግድ ኣላ። ነቲ ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ኣዕናዊ ጐንጺ፡ ሰላማውን ዘላቕን ፍታሕ ንምምጻእ ዝተሓስበ ሰላማዊ ዝርርብ ድማ፡ ካብ ሎሚ 25 ጥቅምቲ ጀሚሩ ክሳብ 30 ጥቅምቲ ክካየድ እዩ” ኢሉ። እቲ ዘተ ሰላም ፍረ ምእንቲ ክርከቦ’ውን፡ ነቶም ኣወሃሃድቲ ሰናይ ምንዮቱ ገሊጹ። “ውጽኢት እቲ ዘተ ንመላእ ኢትዮጵያውያን ዘላቂ ሰላም ምእንቲ ከምጽእ ደቡብ ኣፍሪቃ ምንዮታ ትገልጽ” ኢሉ። ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕቡራት ሃገራትን ኣሜሪካን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ትግራይ ናብ ዘተ ክኣቱ ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም። እቲ ኲናት ዳግማይ ድሕሪ ምውልዑ፡ ነቲ ኣብታ ክልል ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከየጋድዶ ስግኣት ተፈጢሩ ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ሰነ 2021 ጋዜጠኛታት ናብ ትግራይ ክኣትው ኣየፍቀደን። ኣብታ ክልል ኣገልግሎት መራኸቢታት ቴለፎንን ኢንተርነትን ተቋሪጹ ብምህላው ንህልው ኩነታት ሰብኣዊ ቅልውላው እታ ክልል ምፍላጥ ኣጸጋሚ እዩ። በቲ ኣብ ክልል ትግራይን መዋስንቲ ከባቢታትን ዝተኻየደ ኲናት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግመት። ብክልቲኡ ወገናት ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ኣካላት ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብምፍጻም ይኽሰሱ። ኣብዚ ብሰፊሕ ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ዝርርብ ሰላም ንምስታፍ፡ ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ብሰንበትን ሰኑይን ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምእታዎም ይዝከር። ኣባል ማእከላዊ ህወሓት ዝኾነ ክንድያ ገ\/ህይወት፡ ብሰንበት ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝካየድ ዝርርብ ሰላም ዝሳተፍ ልኡኽ ትግራይ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ በጺሑ ኣሎ ኢሉ ኔሩ። ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ትማሊ ሰኑይ ረፋድ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብቲ ዘተ ሰላም ዝሳተፍ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምምርሑ ገሊጹ። ክልቲኦም ወገናት፡ ፍልልያቶም ብዘተ ንምፍታሕ ፊት ንፊት ዝራከቡ ዘለው፡ እቲ ኲናት ሓዪሉ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን እዩ። ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት፡ መንግስቲ ፌደራልን መሻርኽቱን፡ ብርክት ዝበሉ ከተማታትን ከባቢታትን ትግራይ ካብ ሓይልታት ትግራይ ይቆጻጸሩ ምህላዎም ጸብጻባት ይገልጹ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cjr51j1gjxwo"} {"headline":"ምትግባር እቲ ስምምዕ ‘ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ማእኸል ዝገበረ'ዩ’ - መራሕቲ ትግራይ","content":"ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ 2 ሕዳር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ቀዋሚ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት “ተግባራዊ ዝኸውን ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ማእኽል ብምግባር” ከምዝኾነ ሰብመዚ ትግራይ ገሊጾም። ብዓርቢ 25 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. (ግእዝ) ብስም ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ' ዘውጽእዎ መግለጺ፡ “እዚ ስምምዕ ድልየት ህዝብና ንምምላእን ውሕስንኡ ብዘላቕነት ንምሕላውን ክንብል እንገብሮ ዘለናን ውፅኢት ቃልስናን ስለዝኾነ ንተግባራዊነቱ እውን ብዝግባእ ክንሰርሓሉ ዘለና እዩ” ኢሎም። ብዛዕባ'ቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ ቀጻሊ ተወሰኽቲ መብርሂታት ከምዝህቡ'ውን እቲ መግለጺ ይጠቅስ። መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፡ እቲ ንክልተ ዓመት ዝቐፀለ ደማዊ ኵናት ዕልባት ንኽረክብ፡ ኣብ 02 ሕዳር 2022 ኣብ ፕሪቶርያ  ኣብ ዝተገበረ ታሪኻዊ ስምምዕ፡ እቲ ደማዊ ኵናት ንምቁራፅ: ኣብ ትግራይ ዝተቛረፁ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ንምምላስ: ሰብኣዊ ረድኤት ንምብፃሕን: ግዝኣታዊ ሓድነት ኢትዮጵያን ሕገ-መንግስትን ንምኽባርን ከም ዝተሰማምዑ ይፍለጥ። እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝለዓለ ዓወት ዝረኸበሉ ተባሂሉ ብተንተንቲ ዝግለጽ ዘሎ ስምምዕ፡ ምሉእ ብምሉእ ባህ ከምዘየበሎም ብዙሓት ተጋሩ ይገልጹ ኣለዉ። \"ዝተፈላለዩ ኣካላት ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ካብ ዘይተማልአ ሓበሬታን መረዳእታን እናተበገሱ ብዘናፍስዎም ወረታት ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ንዘሎ ህዝቢ ከደናግርዎ” ይንቀሳቐሱ ምህላዎም ከምዝተዓዘበ ገሊጹ። ንህልውና ህዝቢ ትግራይ ዝጎድእ ዝኾነ ዓይነት ስምምዕ ኮነ ስጉምቲ ከምዘይወስድ ብምግላጽ ዝርዝር ጉዳያት ብዝምልከት ብቐፃልነት ተኸታተልቲ መብርህታት ናብ ህዝቢ ከምዘቕርብ ኣፍሊጡ። ቅድሚ ኩናት ምጅማሩ ኣትሒዙ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ክኽበር ብተደጋጋሚ ጻውዒት ከምዘቕረበን ንማሕበረሰብ ዓለም እውን ከምዘፍለጠን ዝጠቅስ መግለጺ መራሕቲ ትግራይ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ብዝተገብረ ስምምዕ “ሕገ መንግስትን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ንክኽበሩ ሓበራዊ መርገፂ ዝተበፅሓሉ ጉዳይ” ከምዝኾነ’ውን ይሕብር። እቲ ዓሰርተ መዓልታት ዝወሰደ ድርድር እንትዛዘም፡ ክልቲኦም ተፃባእቲ ወገናት ዝተሰማምዕሎም 12 ነጥብታት ዝሓዘ በዓል ክልተ ገፅ ሓባራዊ መግለጺ ሂቦም ነይሮም። ብተወሳኺ፡ ዝርዝር ኣፈፃፅማ ናይቲ ስምምዕን ካብ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ትፅቢት ዝግበሩ ግቡኣት ብዝርዝር ዘብርህ በዓል 10 ገፅ ሰነድ ተዘርጊሑ'ሎ። ሓይልታት ትግራይ፡ ትካላት ፌደራልን ንብረት መንግስቲ ፌደራልን ከኽብሩን፡ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልትታት ድማ ዕጥቆም ከምዝፈትሑ’ውን ገለ ኣብቲ ስምምዕ ዝተገልጸ ነጥቢታት እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቂ ንምፍታሕ፡ ሰራዊት ንምብታንን ናብ ህዝቢ ንምፅንባርን ዘኽእል ትልሚን እቲ ትልሚ ተግባራዊ ዝኾነሉ ዝርዝርን ብዝቕል ልዝባት ዝትግበር ክኸውን'ዩ። እቲ ስምምዕ ካብ ዝተፈረመሉ ኣትሒዙ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይን ኢትዮጵያን ተራኺቦም ከምዝዘራረቡን ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት ድማ፡ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቂ ዝፈትሕሉ ከይዲ ብዝርዝር ከምዘውጽኡን ተጠቒሱ'ሎ። ብዘይካ እዚ፡ እቲ ዕጥቂ ናይ ምፍታሕ ግዘ ገደብ፡ ናይ ክልቲኦም ወገናት ኣዘዝቲ ሰራዊት ብዝህብዎ ሓሳብን ብናይ ክልቲኦም ወገናት ኣፅዳቕነትን ክናዋሕ ከምዝኽእል እቲ ስምምዕ ይሕብር። ብወገን መንግስቲ ፌደራል ድማ ኣብ ልዕሊሓይልታት ትግራይ ዝገብሮ ውግእ ደው ከብል፡ ኣብ ትግራይ ዘቋረፆም ህዝባዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክመልስ፡ ህወሓት ኣብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝርዝር ግብረ-ራዕዳውያን ክትምዝገብ ዝተገበረ ውሳነ ንክስረዝ ኩነታት ክፈጥር እቲ ስምምዕ የገድድ። ነዚ ስዒቡ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ብቕልጡፍ ከጀምርን ተግባራውነቱ ከረጋግፅን ትፅቢት ይግበር።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ckr18p100g1o"} {"headline":"ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ብዛዕባ ትግራይን ስምምዕ ሰላምን እንታይ ኢሉ?","content":"ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሎሚ ንጎሆ ኣብ ክልል ደቡብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ \"ብምሉእ ልብና ይቕረ ክንብልን ሓድነትን ሰላምን ኢትዮጵያ ክንመልስን ንደሊ\" ኢሉ። ወሲኹ ድማ፡ ንህዝቢ ትግራይ ኣመልኪቱ፡ “ትግራይ ዳግም ንምህናፅን ናብቲ ናይ ቀደም ስምዒት ሃገር ንምምላስን ብሓባር ደው ክብሉ ብትሕትና እሓትት\" ክብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢዪ፡ \"ዘለና ተኻፊልና ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተጎድአ ህዝብና ክንሕግዝ ምስ እንኽእል እዩ ጅግንነትና ዝረጋገፅ\" ኢሉ'ሎ። \"ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ከመሓላልፎ ዝደሊ መልእኽቲ ዘየድሊ ኩናት፣ ዘየድሊ ጉድኣት፡ ከብቅዕ ኣለዎ\" ክብል ተማሕጺኑ። ንሱ ነዚ ዝገለፀ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን መራሕቲ ህወሓትን ዝካየድ ዝነበረ ዝርርብ ሰላም ብስምምዕ ምስተዛዘመ ኣብ ዘስመዖ መደረ እዩ። ኣብ ዘረብኡ፡ እቲ ስምምዕ ኢትዮጵያ ዘቕረበቶም ድሌታት ምሉእ ብምሉእ ዘማለአ ምዃኑ'ውን ገሊፁ። ኣብቲ ዝርርብ ሰላም ክልቲኦም ወገናት፡ ተጻብኦታት ንምቁራጽ፣ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ምብጻሕን 'ሓይልታት ህወሓት' ዕጥቂ ምፍታሕን ዝርከብዎም 12 ነጥብታት ኣብ ስምምዕ በፂሖም ኣለዉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ትማሊ 23 ጥቅምቲ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ብማሕበራዊ መራኸብታት ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ እቲ ስምምዕ ሰላም \"ነቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመትን ፈረቓን ዝጀመረ ለውጢ ንቕድሚት ንምስጓም ልዑል ኣበርክቶ ከምዘለዎ\" ሓቢሩ። ስለዝኾነ’ውን ፈተውቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዳግመ ህንፀት እቲ ብኲናት ዝተሃስየ ከባቢ ንሓፈሻዊ ልምዓትን ዘለዎም ደገፍ ከሐይሉ ሓቲቱ’ሎ። እቲ ዝርርብ ሰላም ውፅኢታዊ ንክኸውን ፃዕሪ ንዝገበሩ ኣካላት ዘመስገነ ኮይኑ፡ ንላዕለዋይ ወኪል ቀርኒ ኣፍሪቃ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሰጉን ኦባሳንጆ፣ ንፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ፣ ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ፉሙዜላ ላምቦን ንፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ ብፍላይ ምስጋና ኣቕሪቡ። እቲ ክልተ ዓመት ዘቑጸረ ኲናት፡ ኣብ ክልል ትግራይ ተላዒሉ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ከምዝተዘርግሐ ዝዝከር እዩ። እቲ ኲናት ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ኣስዒቡ፣ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ድማ ካብ መንበሪኦም ክመዛበሉ ገይሩ። ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ድማ ህይወቱ ስኢኑ እዩ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c1ev282zgxeo"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ኲናትን ሰላማዊ ዘተን ብማዕረ ይከኣል ድዩ?","content":"ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን (ህወሓት) ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብቐጥታ ዘካይድዎ ዘተ ሰላም ካብ ብሰሉስ ጀሚሩ ኣብ ከተማ ፕሪቶርያ ይካየድ ኣሎ። እንተዀነ፡ ኣብታ ብኲናት ዳርጋ ንኽልተ ዓመታት ኣብ ቅልውላው እትርከብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝተፈላለየ ግንባራት ከቢድ ውግእ ይቕጽል ከም ዘሎ ይግለጽ። ሓደ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ትማሊ ረቡዕ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ከባቢ ዓድዋ ከቢድ ብረትን ታንክታትን ዘሳተፈ ኲናት ይካየድ ኣሎ፡ ኢሉ። ብዘይካ’ዚ ምስ ክልል ዓፋር ኣብ ዘዋስን ከባቢ፡ ሓይልታት ኤርትራ ዝተሳተፉሉ ውግእ ይካየድ ከምዘሎ ጸብጻባት ይገልጹ። እናተዛተኻ ምውጋእ ይከኣል ድዩ? በዓልሞያ ዓለምለኻዊ ሕጊ ሕቡራት ሃገራት ኣቶ ባይሳ ዋቅዋያ ርእይቶኡ ገሊጹልና ኣሎ። “ከም ኣህጉራዊ መትከል፡ ኲናትን ሰላማዊ ዘተን ጐድኒ ጐድኒ ኽካየድ ይኽእል እዩ” ዝብል ኣቶ ባይሳ፡ እቲ ኣብቲ ኲናት ዝደፍእ ዘሎ ወገን፡ ኣብቲ ዘተ ሰላም’ውን ጽልዋኡ ልዑል ከምዝኸውን ይዛረብ። “እቲ ኣብ ኲናት ላዕለዋይ ኢድ ክሕዝ ዝኸኣለ ኣካል፡ ነቲ ኣብ ዓውደ ውግእ ዝረኽቦ ዓወት ተጠቂሙ ነቲ ኣንጻሩ ዝቃለስ ኣካል ኣገዲዱ፡ ዝደለዮ ከመዝግብ ይኽእል’ዩ።” እቲ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ተተግቢሩ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ምቍራጽ ተዅሲ ተጣሒሱ ኣብ መወዳእታ ነሓሰ ኲናት ዳግማይ ካብ ዝውላዕ ንደሓር ተጓሃሂሩ ይቕጽል ኣሎ። ብሓይልታት ኤርትራን ሚሊሻታት ፋኖ - ኣምሓራን ዝድገፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ሽረን ኣገደስቲ ከተማታት ክቈጻጸር እንከሎ፡ ኣብታ ክልል ዝርከቡ መዓርፎ ነፈርትታትን ካልእ ኣገዳሲ ትሕተ-ቕርጽን ንምቍጽጻር፡ ኲናት ከቕጽል ምዃኑን ገሊጹ ነይሩ። ኣገልግሎት ርክባት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብ17 ጥቅምቲ 2022 ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ልዕልናን ግዝኣታዊ ሓድነትን እታ ሃገር ንምውሓስ ኣብቲ ክልል ዘርከቡ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ካልእ መሳለጥያታት ፌደራልን ምቍጽጻር ኣገዳሲ እዩ” ኢሉ። መንግስቲ ኣብ ሓጺር ግዜ ንመቐለ ክቈጻጸር ከምዝኽእል እዩ ዝገልጽ ዘሎ፡ ዝብል ኣቶ ባይሳ፡ እዚ ነቲ ዘተ ሰላም ኣዝዩ ክጸልዎ ከምዝኽእል ይዛረብ። “ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ [እቶም ካብ ትግራይ ዝኸዱ ተዛተይቲ] ክምለሱ ከለዉ መዓርፎ ነፈርቲ መቐለ ተታሒዙ እንተዀይኑ ኣበይ እዮም ክዓልቡ? ኢዶም ንመንግስቲ ክህቡ ዶ ወይስ ናበይ ክኸዱ?” ዝበል ሕቶ የልዕል። ቀጺሉ’ውን፡ “መንግስቲ ንመቐለ እንተሒዝዋ ክገብሮ ዝኽእል ነገር እንተሃለወ ኣዋጅ ህጹፅ እዋን ምእዋጅ እዩ። መሰጋገሪ መሪሕነት ክመርጽ ይኽእል እዩ። ብቐጥታ’ውን ባዕሉ ከመሓድር ይኽእል። ብናተይ ኣረኣእያ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ዘሎ ጸገም ሕቶ ፖለቲካዊ ስልጣን እዩ። እዚ ሕቶ ዲሞክራሲ ስለዝዀነ ካብ መጀመርታኡ ጠበንጃ ምልዓል ኣይመድለየን ነይሩ፡” ይብል። እቲ ካብ ሰሉስ 25 ጥቅምቲ ጀሚሩ ብመንጐኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም ሳልሳይ መዓልቱ'ኳ ኣቝጺሩ እንተሎ፡ ዛጊት ብዛዕባ ዘሎ ምዕባለታት ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን። ኣብቲ ዘተ ሰላም ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ደመቀ መኮነን ዝምራሕ፡ ሸውዓተ ዝኣባላቱ ጕጅለ ይሳተፍ ኣሎ። ዶክተር ጌድዮን ጢሞቲዎስ፡ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ፡ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ ሌተናል ጀነራል ብርሃኑ በቀለ፡ ኣምባሳደር ሓሰን ዓብዱልቃድር ከምኡ’ውን ዶክተር ጌታቸው ጀምበር ኣባላት እቲ ልኡኽ ኢትዮጵያ እዮም። ብወገን ሓይልታት ትግራይ’ውን ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው፡ ኰለኔል ተወልደ ገብረትንሳኤ፡ ዶክተር ፍስሃ ሃብተጽዮን፡ ኣቶ ካሳ ገብረዮሃንስን ኣቶ ኣሰፋ ኣብርሃን ኣብቲ ክሳዕ ሰንበት 30 ጥቅምቲ ክቕጽል ምዃኑ ዝተገለጸ ዘተ ሰላም ይሳተፉ ኣለው። በቲ ክልተ ዓመት ክመልእ ሒደት መዓልታት ተሪፍዎ ዘሎ ኲናት፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ከምእተቐትሉ ክግለጽ እንከሎ ክሳብ 150 ሽሕ ዝኸውን ህዝቢ ብጥሜት ከምዝሞተ ይግመት። ዝሓለፈ ሓሊፉ’ሎ፡ ስለዚ መንግስቲ ሕጂ ምእንቲ ሲቪላውያን ዜጋታት ሰላም ክሰብኽ የድሊ፡ ዝብል ኣቶ ባይሳ፡ ኲናት ሕድሕድ ዝህልዎ ሳዕቤን ከቢድ ከምዝኸውን የረድእ። ኲናት ሓድሕድ፡ ምስቲ ምስ ካልእ ሃገር ዝግበር ኲናት ብምውድዳር ሃስያኡ ከቢድ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቲ ኲናት ኣብዚ ከብቅዕ ኣለዎ ይብል። “ኲናት ሓድሕድ ሕሱም ዝዀነሉ ምኽንያት ንኣቦኻ፡ ሓውኻ ወይ ኣዝማድካ ምስ ዝቐተለ ኣካል ኣብ ሓደ ከተማ ወይ ኣብ ሓደ ከባቢ ትነብር ምዃንካ እዩ። ክትኣቱን ክትወጽእን ከለኻ ስለትረአአ እቲ ቂም ኣይጠፍእን። ስለዚ መንግስቲ ንህወሓት ‘ጁንታ! ሰራቒ! እናበለ ካብ ምግላጽ ተቘጢቡ ናብ ሰላም እንተዝመጽእ እዩ ዝሓይሽ። “እንተዘይኰይኑ እቲ መኽሰብ ቂም እዩ ዝኸውን። መንግስቲ ሕጂ’ውን ንህወሓት ከጥፍእ እየ ብዝብል ንመቐለ ክቈጻጸር እየ እናበለ ይጅሃር እንተሃልዩ፡ ኣብታ ሃገር ሰላም ናይ ምምጻእ ተኽእሎ ጸቢብ እዩ።” እቲ ኲናት ናብ መፈጸምታ ንምብጻሕ ተራ ሃገራት ምዕራብ እንታይ እዩ ክኸውን ዘለዎ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ኣቶ ባይሳ፡ መንግስቲ ኣብ ሲቪላውያን ግህሰት ክሳዕ ዘይፈጸመ፡ ንዝኾነ ክፋል እታ ሃገር ክቈጻጸር ከምዝኽእል የረድእ። “መንግስቲ ንጹሃን ዜጋታት እንተዘይቀቲሉ፡ ወተሃደራቱ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እንተዘይፈጺሞም፡ ንመቐለ ምቍጽጻሩ ገበን ኣይኰነን፤ ምኽንያቱ መንግስቲ ስለዝዀነ። “ሚዛን ሓይሊ ተቐይሩ ኰይኑ’ምበር ህወሓት’ኮ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ ክቈጻጸር እዩ ድልየት ነይርዎ። ስለዚ ማሕበረሰብ ዓለም ንመቐለ ተቘጻጺርካ ኢሉ ንመንግስቲ ክዅንኖ ኣይክእልን። ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ህዝቢ ብግቡእ ክበጽሕ እንተዘይገይሩ እዮም ንመንግስቲ ክሓትዎ ዝኽእሉ። “ምናልባት ማሕበረሰብ ዓለም ወይ ምዕራባውያን ክገብርዎ ዝኽእሉ ንኢትዮጵያ ልቓሕ ምኽልካል ጥራይ እዩ። በዚ ምኽንያት ዕጫኣ ኣብ ድኽነት ምንባር’ዩ ዝኸውን፡” ይብል በዓል ሞያ ሕጊ ሕቡራት ሃገራትን ዲፕሎማትን ነበር ኢትዮጵያዊ ባይሳ ዋቅዋያ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c887x48kr01o"} {"headline":"ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ፈደራል ዝኣተዋ ተወሰኽቲ ከተማታት ትግራይ ኣየኖት'የን?","content":"ተወሰኽቲ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ፈደራልን መሻርኽቱን ከምዝኣተዋ ይግለጽ ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰራዊቱ \"ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ንቀንዲ ከተማታት ምቁጽጻር ቀጺሉ'ሎ\" ክብል ሓቢሩ። ኣየኖት ከተማታት ከምዝተቖጻጸረ ግን እቲ ሎሚ ሰኑይ 24 ጥቅምቲ ዝወጸ መግለጺ ኣይጠቐሰን። ኣሶሺየትድ ፕረስ፡ ንሓደ ሰራሕተኛ ሰብኣዊ ረዲኤት ብምጥቃስ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ \"ጥሙር ሰራዊት\" መንግስቲ ንታሪኻዊት ከተማ ዓድዋ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ከምዝተቐጻጸራ ሓቢሩ'ሎ። ቀንዲ ታሪኻዊት ከተማ ኣክሱም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ ከምዝኣተወት'ውን ምንጭታት የመልክቱ። ኩነታት ናይታ ደብዳባት ዝካየደላ ከምዝነበረ እትግለጽ ዓዲ-ግራት ግን ብንጹር ዝተረጋገጸ ነገር የለን። ብወገን ሓይልታት ትግራይ ብዛዕባ ምትሓዝ ተወሰኽቲ ከተማታት ዝተባህለ የለን። እንተኾነ ግን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣብ ሓያል ውግእ ተጸሚዶም ይረባረቡ ከምዘለዉ'ዮም ዝገልጹ። ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ፈደራል ምእታዋ መራሕቲ ትግራይ ምሕባሮም ይዝከር። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሰራዊት መንግስቲ ንከተማታት ሽረ፡ ኣላማጣን ኮረምን ከምዝተቖጸጸረ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ብግዲኦም ገሊጾም ነይሮም። ሓደ ካብ ልዕለዎት መራሕቲ ትግራይ ዝኾነ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት ግን፡ ከተማ ኮረም ኣብ ኢዶም ከምዘላ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ። ምትሓዝ ናይዘን ፍሉጣት ከተማታት ኣብቲ ከካይድዎ ዝጸንሑ ውግኣት ዓቢ መኻልፍ ከምዝኾነ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ። ሕቡራት ሃገራት፡ ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ዝርከብዎም ወገናት፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ብደብዳባት ዝወርድ ዘሎ ሞትን ጸበባን ከምዘሻቐሎም ብምግላጽ፡ ብቕልጡፍ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ይምሕጸኑ ኣለዉ። ክልቲኦም ተራጸምቲ ወገናት፡ ኣብቲ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝካየደ ዘተ ሰላም ንምስታፍ ልኡኻቶም ከምዝሰደዱ ኣፍሊጦም ኣለዉ። ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ትግራይ ዝዀነ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረህይወት ትማሊ ሰንበት ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ኣብቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዘተ ሰላም ኢትዮጵያን ትግራይን ዝሳተፍ ልኡኽ መንግስቲ ትግራይ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ በጺሑ ኣሎ፡” ኢሉ። “ብቕልጡፍ ተጻብኦ ደው ምባል፡ ዘይተገደበ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይን” ቀዳምነት ክወሃቦ ክጠልቡ ምዃኖም'ውን ጠቒሱ። ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ፈደራል ብወገኑ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ንግሆ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዝተበገሱ ኣፍሊጡ’ሎ። እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘተ፡ ነቲ ግጭት ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ዝሕግዝ ዕድል ገይሩ ከምጥምቶ መግለጺ መንግስቲ ኣነጺሩ። ዋላ'ኳ እቲ ሎሚ ዝጅምር ልዝብ፡ ፈላሚ ወግዓዊ ቀጥታዊ ርክብ ብምዃኑ ዓቢ ምዕባለ ዝቑጸር እንተኾነ፡ እቲ ኣብ ባይታ ዝቀያየር ዘሎ ኩነታት ናይቲ ውግእ ክሳብ ክንደይ ክጸልዎ'ዩ ዝብል ግን ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ዝርአ ክኸውን'ዩ። እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ዕጽዋ ዝርከብ ከባቢታት ትግራይ ጥምየትን ምፍንቓልን ዝርከብዎ ዓቢ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ምስዓቡ ይፍለጥ። ኣብቲ ኲናት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሲቪላውያን ዝርከብዎም ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግመት።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1nrzgq9ewo"} {"headline":"ኲናት ትግራይ፡ ነፈርቲ ውግእ ሰላማውያን ሰባት ደብዲበን ድየን?","content":"‘’ኣነን ደቀይን ቴሌቪዥን እናረአና ከለና እዩ ካብዚ መጺኡ ዘይበልናዮ ደብዳብ ነፋሪት ዝወቐዐናን ኣብኡ ዝደፈነናን” እዞም ቃላት ካብ ሓንቲ ግዳይ ናይቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ እትርከብ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ዝተሰምዑ እዮም። በቲ መጥቃዕቲ 8 ሰባት ከምዝሞቱን ካልኦት ዓሰርተታት ከምዝቖሰሉን ተገሊጹ ነይሩ። ኣብቲ እዋን እታ ከተማ ናብቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ትግራይ ብሓደ ወገን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብካልእ ወገን ኮይኖም ኲናት ዘካይዱሉ ዝነበሩ ግንባር ኣብ ቀረባ ርሕቀት ነይራ። ነቲ ዘጋጠመ ኣመልኪቱ ዝተፈላለዩ ዝጻረሩ ሓበሬታታት ኣለዉ፤ ጋዜጠኛታት ናብቲ ከባቢ ክኣትዉ እውን ፍቑድ ኣይኮነን። ገለ መረዳእታታት ቪድዮ ካብቲ ከባቢ ዝተረኸቡ ኮይኖም፡ ነቶም ቪድዮታትን ካብ ሳተላይት ዝተረኸቡ ምስልታትን ተወኪስና እንታይ ከምዝተፈጠረ ዳህሲስና ኣለና። ሰብ መዚ ህወሓት፡ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ኣብ 27 መስከረም ኣብ ዓዲ ዳዕሮ ኣብ መንበሪ ሰላማውያን ሰባት ደብዳብ ከምዝፈጸመ እዩ ዝገልጽ። “ቦምባ ደርብዮም . . . ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ቀቲሎም፤ ብዙሓት ኣቑሲሎምን መንበሪ ኣባይቲ ናብ ሓሞኽሽቲ ቀዪሮምን” ኢሎም። ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ትግራይ ሓደ ዝኾነ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረህይወት፡ እቲ መጥቃዕቲ ብኤርትራ እትውነን ሚግ-27 ከምዝፈጸመቶ ከሲሱ። ኣብ 27 መስከረም ነፈርቱ ንከተማ ዓዲ ዳዕሮ ከምዝደብደባ ዝገለጸ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዒላማ ዝገበረኦ ግን ምስ ህወሓት ርክብ ዝነበሮ ትሕዝቶ ጥራሕ ምንባሩ ሓቢሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝውነን ፋክት ቸክ ዝተባህለ ናይረ ትዊተር ገጽ እውን “ኣቐዲሙ ዝተኣለመ ናይ ሕሶት ክሲ” ኣቕሪቦም ክብል ንሓይልታት ትግራይ ከሲሱ። ካብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ቪድዮታት ዝወጹ ኮይኖም፡ ገሊኦም ብሓደ ናይ ትግራይ ጉጅለ ቴሌዚዥን ኣብ ኢንተርነት ተፈንዮም። ካብ ዓዲ ዳዕሮ ከምዝመጽአ ዝተነገረና ሓደ ቪድዮ፡ ነቲ ኣብ 27 መስከረም ኣብቲ ከባቢ ዝተፈጸመ ደብዳብ የርእይ። ምንጩ ንምርርግጋጽ ግና ነቲ ዝቐደሖ ሰብ ክንረኽቦ ኣይከኣልናን። ብ 28 መስከረም ኣብ ቴሌቪዥን ትግራይ ዝተሓላለፈ ቪድዮ ድማ፡ ናይ ሲቪል ክዳን ዝተኸደኑ ሰባት ኣብ ዝፈራረሱ ገዛውቲ ብህይወት ንዝተረፉ ሰባት እንትደልዩ የርእይ። ኣብቲ ቪድዮ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን የረኣያ። ኣብ ገለ ክፋል እቲ ቪድዮ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ካብቲ ፍርስራስ ተፋሒረን ክወጻ የርእይ። ናይ ሲቪል ክዳን ተኸዲኖም ብረት ዝሓዙ ክልተ ሰባት እውን ዝረኣዩ ኮይኖም፡ መንነቶም ክነረጋግጽ ግን ኣይከኣልናን። ኣብ ገለ ካባቢታት ኢትዮጵያ ኣብ ህዝባዊ ከባቢታት ብረት ዝሓዙ ሰባት ምርኣይ ልሙድ እዩ፤ ኣብቲ እዋን እቲ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ህወሓት ምንባሩ እውን ይፍለጥ እዩ። ኣብቲ ቪድዮ ቃለ መሕተት ዝተገበረሎም ሰባት፡ እቲ መዓልቲ በዓል መስቀል ዘኽብሩሉ ሰላማዊ መዓልቲ ምንባሩ ክገልጹ ይስማዕ። ሓንቲ ሰበይቲ “እዚ ከጋጥም እዩ ኢልና ኣይሓሰብናን። ኣብዚ ወታሃደራዊ ምንቅስቓስ የለን። እዚ ድኻታት ዝነብሩሉ ከባቢ እዩ” ክትብል ንቴሌቪዥን ትግራይ ተዛሪባ። እቲ ቪድዮ ኣብ ዓዲ ዳዕሮ ምዃኑ ዘመላኽቱ ምልክታት ኣለዉ። ኣብ ሓደ ቪድዮ ዝረኣይ ፍሉይ ዝርገሐ  ዘለዎ ጎቦ፡ ኣብ 'ጉግል ማፕ' ከምዝረኣይ፡ ምስቲ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል እታ ከተማ ዝርከብ ዝመሳሰል እዩ። ነቲ ቪድዮ ዝሰኣለ ሰብ ካሜርኡ ኣብ ዘዝረሉ ላዕለዋይ ክፋል ናይ መስጊድ ንካልኢታት ይረኣይ። እዚ ድማ ምስቲ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ኣብ 'ጉግል ማፕ' ዝተለጠፈ ምስሊ ዓዲ ዳዕሮ ዘሎ ምስጊድ ሓደ ዓይነት እዩ። እቲ መስጊድ ካብቲ ደብዳብ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ንኣንፈት ሰሜን ዝርከብ ኮይኑ፡ ኣብ 'ጉግል ማፕ' ብቖጻል ምልክት ይፍለ። ቢቢሲ እውን ሳትላይት ምስሊታት እቲ ከባቢ፡ ቅድምን ድሕርን እቲ ደብዳብ ርእዩ እዩ። ኣብቶም ምስሊታት መንበሪ ኣባይቲ ዝዓረፉዎም ቀጥ ዝበሉ ጎደናታት ዝረኣዩ ኮይኖም፡ ኣብ 1 ጥቅምቲ ዝተወሰደ ምስሊ ድማ ኣብ ሓደ ከባቢ ዝበጸሐ ጉድኣት ብግልጺ የርእይ። እዚ ጉድኣት ኣብቶም ቅድም ኢሎም ዝተወሰዱ ምስልታት ኣይረኣይን። ጽርየት እቲ ብ 1 ጥቅምቲ ዝተወሰደ ምስሊ ግና ምኽንያት እቲ ጉድኣት ንምፍላይ ዘኽእል ኣይኮነን። ኣብቲ ደብዳብ ዝተፈጸመሉ እዋን ዒላማ ዝተገበሩ ወታሃደራዊ ቦታታት እንታይ ምንባሮም ንሰብ መዚ ኢትዮጵያ ሓቲትናዮም፤ ምላሽ ግን ኣይሃቡን። ኣብ 17 ጥቅምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጉድኣት ሰላማውያን ሰባት ንምክልኻል ኣብ ከባቢታት ከተማ ኲናት ከምዘየካይድ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ንህወሓት ድማ ሰላማውያን ሰባት ከም ሽፋን ብምጥቃምን ሲቪላዊ ትካላት ንወታሃደራዊ ኣገልግሎት ብምውዓልን ከሲሱ። መጥቃዕቲታት ኣየር ኣብ ካልኦት ከባቢታት ትግራይ'ውን እናተፈጸሙ ጸኒሖም እዮም፤ እንተኾነ ብምኽንያት እቲ ዝቐጸለ ዕጽዋ መራኸቢታት ነቲ ዘጋጠመ ነገር ብትኽክል ንምፍላይ ኣጸጋሚ እዩ። ኣይ ኣር ሲ ዝተባህለ ትካል ግብረ ሰናይ፡ ብ 14 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ሽረ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓደ ሰራሕተኝኡ ከምዝተቐተሎ ገሊጹ እዩ። ኣብ ካልኦት ተመሳሰልቲ መጥቃዕቲታት ሰላማውያን ሰባት ከምዝሞቱ ዝገልጹ ሓበሬታታት እውን ወጺኦም እዮም፤ ምርግጋጽ ግን ኣይተኽኣለን። ሕብረት ኣውሮጳ ብወገኑ “ህዝቢ ኣብ ዝበዘሖም ከባቢታት ዝፍጸም ዘሎ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲታት ድሮን ሰላማውያን ሰባት ንልዑል ሐደጋ ክቃልዑ ይገብር ኣሎ” ኢሉ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c0k59q7k4z7o"} {"headline":"ህይወት ኣብታ ንኽልተ ዓመታት ብኲናት ዝተሃስየት ትግራይ እንታይ ይመስል?","content":"ኣብ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ዝጸንሑ ወገናት ብረቡዕ ስምምዕ ሰላም ከቲሞም ኣለው። ኣብ ትግራይ ዝርከብ ህዝቢ ዳርጋ ንኽልተ ዓመት ግዳይ እቲ ኲናት ኮይኑ እዩ። ኣብታ ክልል ኣገልግሎት መራኸቢታት ተቋሪጹ ብምህላው ካብኡ ሓበሬታ ምርካብ ዳርጋ ዘይሕሰብ እዩ። ቢቢሲ፡ ነዚ፡ ህዝቢ ትግራይ ንዝሓልፎ ዘሎ መግደራ ዘንጸባርቕ ቪድዮ ክረክብ ክኢሉ ኣሎ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3gxy9gqn6eo"} {"headline":"ኲናት ትግራይ፡ 8 ቀንዲ ነጥብታት ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት","content":"እቲ ክልተ ዓመት መሊእዎ ዘሎ ደማዊ ኵናት ትግራይ ብሰላማዊ ልዝብ ዕልባት ክረክብ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘተ ሰላም ከካይዱ ዝቐነዩ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን \"ቀዋዊ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት\" ፈሪሞም ኣለዉ። እቲ ካብ ዝሓለፈ 25 ጥቅምቲ 2022 ክሳብ ሎሚ 02 ሕዳር 2022 ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ርእሰከተማ ፕሪቶርያ ክካየድ ዝፀንሐ ድርድር ብረቡዕ ክልቲኦም ወገናትን ተዓዘብትን ኣብ ዝተረኽብሉ በቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ተዛዚሙ'ሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፡እቲ ንክልተ ዓመት ዝቐፀለ ደማዊ ኵናት ደው ክብል፣ ዘይድሩት ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ክኣቱ፣ ኣብ ትግራይ ዝተቛረፁ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱን ድሕነት ሰላማውያን ዜጋታት ከውሕሱን ከም ዝተሰማምዑ ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ ኣፍሊጦም። ብወገን ኢትዮጵያ ኣማኻሪ  ጉዳይ ድሕነትን ጸጥታን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ነቲ ስምምዕ ክፍርሞ እንከሎ፡ ብወገን ህወሓት ድማ ወሃቢ ቃል ናይቲ ውድብን ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ሓይልታት ትግራይን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ክታሙ ኣንቢሩሉ። ብፍሉይ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ጉዳይ ፕረዚደንት ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ፣ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታን ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ፑምዚለ ምላምቦ-ንጹካን ዝምራሕ ጉጅለ ንትግባረ ናይቲ ስምምዕ ክከታተልዎ ምዃኖም'ውን ተገሊጹ። ሰለስቲኦም ኣደራደርቲ ኣብቲ ናይ ሎሚ ጋዜጣዊ መግለጺ ተረኺቦም ነቲ ስምምዕ ክታሞም ኣንቢሮምሉ። ኣመሪካን ኢጋድን'ውን ከም ተዓዘብቲ ተሳቲፎም ነይሮም። 1. ወከልቲ ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፡ ድሕሪ እቲ ን10 መዓልቲ ዝተኻየደ ጽዑቕ ድርድር ኣብ ስምምዕ ሰላም ከም ዝበፅሑ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ዓለምን ከፍልጡ ተሰማሚዖም። 2. ብረታት ንሓዋሩ ንምህዳእን፡ እቲ ክልተ ዓመት ገይሩ ዘሎ ጎንጺ ሰሜን ኢትዮጵያ ከብቅዕን ተሰማሚዖም። 3. እቲ ኵናት ኣብ ሂወትን መነባብሮን ዘሕዝን ዕንወት ከም ዘውረደን፡ ብመሰረት ድሌት ህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ፡ ነዚ ናይ ግጭት ምዕራፍ ንድሕሪት ብምግዳፍ፡ ብሰላምን ስኒትን ምንባር ረብሓ ምሉእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምዃኑ ገሊጾም። 4. ንሉኣላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን፡ ከምኡ'ዉን ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ከውሕሱ ብምርግጋጽ፡ኢትዮጵያ ሓደ ሰራዊት ምክልኻል ከም ዘለዋ። ኣብ ባይታ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ዕጡቓት ህወሓት ብረቶም ኣውሪዶም ናብ ማሕበረሰብ ተመሊሶም ክጣየሱን ተሰማሚዖም። 5. ሓገዝ ናብ ዘድልዮም ረድኤት ክበጽሕ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ትካላት ረድኤት ክተሓባበር። 6. ኣብ ትግራይ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ናብ ንቡር ክምለስ፣ ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ዝፍተሓሉ ባይታ ክፍጠር፣ ከምኡ'ውን፡ ተሓታትነት፣ ሓቂ፣ ዕርቅን ሕውየትን ንምውሓስ ፖሊሲ መሰጋገሪ ፍትሒ ምርግጋጽን ኣብ ዝብል ተሰማሚዖም። 7.  እዚ ስምምዕ ብዘይ ገለ ምድንጓይ ተግባራዊ ክኸውን፡ ኩሉ ዓይነት ተፃባኢ ፕሮፖጋንዳ ደው ክብል ይጠልቡ። 8. መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ ዝተቛረፁ ህዝባዊ ኣግልግሎታት ናብ ንቡር ክመልስን፡ በቲ ኵናት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓትን ዳግም ክሃንፅን፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ስምምዕ በፂሖም ኣለዉ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c13x2v3nddjo"} {"headline":"ልዝብ ኢትዮጵያን ትግራይን እንታይ ውጽኢት ክህልዎ ይኽእል? ኤርትራ ኸ?","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ መዕለቢ ክረክብ፡ ሎሚ 24 ጥቅምቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብመንጐኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጐ ወከልቲ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጲያን መራሕቲ ትግራይን ዝካየድ ቀጥታዊ ልዝብ ሰላም፡ እንታይ ውጽኢት ኮን ክህልዎ ይኸውን? ዝብል፡ ሕቶ ዝሓዘለ ተስፋን ምጥርጣርን ይቐርበሉ ኣሎ። እዚ ክልተ ዓመቱ ክደፍን ቀሪቡ ዘሎ፡ ኣብዚ ቐረባ መዓልታት ንዓለም ዘሻቐለ ጽዕጹዕ ውግእ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ ቢቢሲ ትግርኛ፡ ኣብቲ ብጸቕጢ ማሕበረ ሰብ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም ክልቲኦም ተቐናቐንቲ ከቕርብዎ ንዝኽእሉ ምጉትን ንምትእትው ኤርትራን ብዝምልከት ንምድህሳስ፡ ነቲ ኵነታት ብዕምቈት ንዝከታተሉ ምሁራትን ተንተንቲ ፖለቲካን ኣዘራሪቡ ኣሎ። ኣብ ግብጺ ዝመደበሩ ጋዜጠኛን ጸሓፍን ማሕሙድ ኣቡበከር፡ ኲናት ንሓደ ፖለቲካዊ ዕላማ ንምፍጻም ዘገልግል መሳርሒ ብምዃኑ፡ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ክካየድ ዝቐነየ ጽዕጹዕ ውግእ፡ ድሌታትካ ንምስግዳድ ናብቲ መኣዲ ዘተ ጸብለልታ ሒዝካ ንምእታው ዝሓለነ'ውን ምዃኑ ይገልጽ። እንተዀነ ይብል ማሕሙድ፡ ብፍላይ ኣብ ውግእ ሕድሕድ ፍጹም ዓወት ዝበሃል ስለዘየለ፡ እቲ ናይ ባይታ ልዕልና ሒዝካ ናብ ዘተ ምቕራብ ግዝያዊ ምዃኑ፡ እቲ ሕጂ ዝደኸመን ዝተጸቕጠን ሓይሊ፡ ጽባሕ ንግሆ ሓይሊ ደሊቡ ጸብለልታ ሒዙ ነገራት ክግምጥል ስለዝኽእል እቲ ዘላቒ ፍታሕ ሰላማዊ ዘተ ጥራይ ምዃኑ የረድእ። “ኣብ ሓደ ሃገር ዝፍጠር ሽግር፡ ንዅሎም ወገናት ዘቀራርብ ዘላቒ ፖለቲካዊ ፍታሕ እንተዘይተጌርሉ ኣብ ዘይዓርፍ ዕንክሊል ኲናት እዩ ዝሸመካ። ይዅን እምበር ፖለቲካዊ ጠለባትካ ኣክንዲ ብምጕት ብሓይሊ ምስግዳድ ኣብ ኢትዮጵያ ኮነ ኣብቲ ዞባ ዝጸንሐ ኣተሓሳስባ’ዩ” ይብል። ኣብ ዩኒቨርሰቲ ኒውዮርክ ዝምህር ዶክተር መንግስተኣብ ተስፋዮሃንስ፡ ኣብቲ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየድ ዘተ ሰላም፡ እቲ ሕጂ ኣብ ትግራይ ከተማታት ክሕዝ ጀሚሩ ዘሎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ትግራይ ዕጥቁ ከውርድ ክሓትት ከምዝኽእል፡ዕጥቂ ምፍታሕ ማለት ከኣ ንህወሓት ነብሰ ቕትለት ምፍጻም ማለት ከምዝዀነ፡ ስለዚ፡ እቲ ዘተ ሰላም ቁምነገር ከምዘይህልዎ ርእይትኡ የቐምጥ። ጋዜጠኛ ማሕሙድ ብወገኑ፡ በዚ ኣብ ባይታ ዝርአ ዘሎ ምዕባለታት መራሕቲ ህወሓት ኣብ ብዙሕ መዳያት ክቐርበሎም ንዝኽእል ነገራት ክቕበሉ ከምዝኽእሉ ይግምት። ንምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ ብዝምልከት ግን ቅዋም ‘ታ ሃገር ስለዘፍቅዶ ክልል ትግራይ ልክዕ ከም ካልኦት ክልላት ዕጡቕ ሓይሊ ክህልዎ ፍቝድ ስለዝዀነ እቲ ምጉት ነዊሕ ክኸይድ ከምዘይክእል ይኣምን። እታ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ብሽርክነት እትዋጋእ ዘላ ኤርትራ ኣብቲ መኣዲ ዘተ ክትሳተፍ'ኳ እንተዘይተዓደመት፡ ብመገዲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሕቶ ልኡላውነት ኤርትራ ከም መበገሲ ብምውሳድ፡ እቲ ኤርትራ ምስ ክልል ትግራይ ብቐንዱ ግን ምስ ኢትዮጵያ እትዳወበሉ ከባቢ ብሓይልታት ፈደራል ክሕሎ ኣለዎ ዝብል ጠለብ ከተቕርብ ከምእትኽእል ይግምት። ስለዚ፡ “እዚ ብመንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ተቐባልነት ዝረኸበ፡ ኤርትራ ክኸውን እትደልዮን ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ከባቢታት ትግራይ ይዅን ኣምሓራ ክትወጽኣሉ እትኽእል መገዲ ድማ እዚ እዩ ኢለ እኣምን” ዝብል ማሕሙድ፡ ንዅሉ ግን ኣብ ባይታ ዘሎ ወተሃደራዊ ሚዛን ሓይሊ ከምዝውስኖ ይኣምን። መንግስቲ ኤርትራ፡ ህወሓት ስግኣት ልኡላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ኤርትራ ብምዃኑ “ክጠፍእ ኣለዎ” ብዝብል ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ኲናት ምስታፉ ብትሪ ይቃወም ማሕሙድ። ንሓሳቡ ከብርህ እንከሎ ከኣ፡ ብመሰረቱ፡ ወያነ ወይ ህወሓት ሓይሊ ቅድሚ ምዃኑ ሓሳብ እዩ። ንሓሳብ ድማ ብሓሳብ ኢኻ ክትስዕሮ ዘለካ እምበር ብኲናት፡ እሞ ድማ ሰዓብቲ ዘለውዎ ሓሳብ እንተዀይኑ ከተጥፍኦ ዝከኣል ኣይኰነን ይብል። “ህወሓት ፈቲና ጸሊእና ምስ ተጋሩ ታሪኻውን ሕልናውን ምትእስሳር ዘለዎ ሓይሊ እዩ። ሎሚ ካብ ስልጣን እንተተኣልየ ወይ እንተተደፍአ፡ ድሌት ተጋሩ ክሳብ ዝሃለወ ተመሊሱ ክመጽእ ከም ዝኽእል ክንዝጋዕ የብሉን” ከኣ ይብል። ዶክተር መንግስተኣብ ተስፋዮሃንስ እውን፡ ኣብቲ ናይ ሎሚ ዘተ ፈደራላዊ መንግስቲ፡ “ሰላም እንተደሊኹም ዕጥቅኹም ኣውርዱ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ከኣ ባዕልና ክንቈጻጸሮ ኢና” ብምባል ክብልዎ ንዝጸንሑ ጠለብ ክደግምዎ እዮም። \"ህወሓት ከኣ ህዝቢ ትግራይ ባዕሉ ብዝመረጾ መሪሕነት ክመሓደር ምሉእ መሰል ኣለዎ። ሓቂ እዩ ሎሚ ሓደ ሓደ ከተማታት ትሕዙ ኣለኹም። ትማሊ እውን ሒዝኩም ኔርኩም ኢኹም። ሓይሊ ስለዝረኸብኩም ንሕቶን ድሌትን ህዝቢ ክትጭፍልቑ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ዝብል ምጕት ከቕርቡ ከምዝኽእሉ ይገልጽ። ልኡላውነት ከም ሕቶ? ጋዜጠኛ ማሕሙድ ልኡላውነት ኤርትራ ምስ ወያነ ጥራይ ዝተሓሓዝ ከምዘይኰነ፡ እቶም ሕጂ መሻርኽቲ ኰይኖም ዘለው ሓይልታት ኣምሓራን፣ ባዕሉ እቲ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ዘየኽብር መግለጺታት ከውጽኡ ከምዝጸንሑ ብምሕባር፡ ልኡላውነት ሓደ ህዝብን ሃገርን ብኲናት ዘይኰነስ ብሰላም ጥራሕ ከምዝወሓስ ጽኑዕ እምነቱ ይገልጽ። እዚ ኲናት ኣብ ርእሲ እቲ ዘኸትሎ ዘሎ ሞትን ህልቂትን፡ ጥሜትን ድኽነትን፡ ስደትን ከርተትን፡ ዓሚቝ ጽልእን ደምን እውን ስለዝፈጠረ፡ ኣበሳኡ ብቐሊሉ ዝሓዊ ኣይኰነን። ዓሌታዊ ኣቃውማ ክልላት ዝፈጠሮ ምስሕሓብን ናይ መሬት እጀታን ጉዳይ እውን ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን፡ ኦሮሞን ኣምሓራን ሓደገኛ ስምብራት ኣለዎ። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ንባዕሉ፡ እቲ ዝተገብረ ዓሌታዊ ኣቃውማ ክልላት ዝፈጠሮ፡ ኣብዚ ኲናት፡ “ኣብ ርእሲ’ቲ ምዱብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከም ርእሱ ዝኸኣለ መሻርኽቲ ሓይሊ ዝጥቀስ ሓይልታት ኣምሓራ፡ ሚሊሻታት ኣምሓራ ከበሃል ይስማዕ እዩ፡” ብምባል እዚ ዝፈጥሮ ሕማቕ ስምዒታት፡ ኣብ መጻኢ ሳዕቤናቱ ሓደገኛ ምዃኑ፡ ማሕሙድ የዘኻኽር። “እዚ ጽባሕ ንግሆ ኣብ መንጐ እቶም ህዝብታት ከቢድ ቅርሕትን ምትፍናንን ክፈጥር እዩ፡” ብማዕሪኡ ኸኣ ንኤርትራ’ውን ኣብ ምትፍናን ስግኣትን ከንብራን ከቢድ ዋጋ ከኽፍላን እዩ ዝብል ስግኣቱ ይገልጽ። “ኤርትራውያን ካብቲ ዝረብሕዎ ዝኸስርዎ” ክዛይድ ከም ዝኽእል ከኣ ብተወሳኺ የጠንቅቕ። “ብፍላይ ኤርትራ ምስቲ ውሱን ጸጋታታ፡ ተነጽሎኣን ዘላቶ ኵነታትን፡ እዚ ኲናት ንዓኣን ንህዝባን መሊሱ ዘድኪ መሊሱ ንድሕሪት ዝመልስ እዩ” ይብል። ኤርትራ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ኣብ ሃዋሁ ኲናት እያ ጸኒሓ፣ ሕጂ ድማ ከም እንደገና ኣብ ኲናት ኣትያ’ላ። “ብዝተፈላለየ መርትዖታት፡ ማዕከናት ዜና፡ ስእልታት ሳተላይት ካልእን’ኳ እንተተረጋገጸ፡ ኤርትራ ኣብ ኲናት ኣለኹ ኢላ ብወግዒ ኣይትኣምንን እያ” ይብል ማሕሙድ። ስለዚ፡ ኣብ ከምዚ ኵነታት ኣብቲ ልዝብ ክትኣቱ ፍቓደኛ ክትኸውን ከም ዘይትኽእል ከኣ ይገልጽ። እቲ ካልኣይ ነጥቢ፡ “ኤርትራ ኣብዚ ኲናት ትኣቱ ዘላ ንወያነ ከጥፍኦ ኣሎኒ ካብ ዝብል ግምት እዩ።” ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ዘለዋ ሃገር ድማ ምስቲ ከጥፍኦ ኣለኒ እትብሎ ሓይሊ ኮፍ ኢላ ክትዘራረብ ፍቓደኛ ክትከውን ከምዘይትኽእል፡ ማሕሙድ የብርህ። ብዙሓት ወገናት’ውን ንኤርትራ ኣብ ግምት ዘእተወ ዝርርብ ስምምዕ ክግበር ይሓቱ  እዮም፡ “እዚ ግን ብኤርትራ ተነጺጉ እዩ።” ብወገን ኤርትራ ዘሎ ኣጠማምታ “ከጥፍኦ ወይ ከጥፍኣኒ” ኣለዎ ዝዓይነቱ ዘይቅየር ኣተሓሳስባ ስለዝዀነ፡ ሓቢርካ ምንባር ዝፈቅድ ኣይኰነን ይብል ማሕሙድ ኣቡበከር። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ’ውን ንፕረዚደንት ኢሳያስን ዶ\/ር ደብረጽዮንን ከራኽቦም ፈተነታት ይገብር ከምዝነበረ ግን ከምዘይተኻእለ ይጠቅስ። “ካብዚ ነቒልካ፡ ክርአ እንከሎ ኸኣ ኤርትራ፡ ህወሓት ከም ሓይሊ ወይ ከም ሓደ ጽልዋ ዘለዎ ኣገዳሲ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣብ ኢትዮጲያ ክጥፍእ ጥራይ እምበር ምስኡ ዝርርብ ክግበር ትድግፍ ኣይመስለንን።” ይብል። ዶክተር መንግስተኣብ ተስፋዮሃንስ እውን፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ስርዓት ህወሓት ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ንኤርትራ ካብ ዝተፈርደ መሬት ምውጻእ ኣብዩ፡ ብሓይሉ ኣብ ኵነተ ኵናት ጸሚዱ ካብ ልምዓት ስለዘብኮረኒ ክጠፍእ ኣለዎ ዝብል ርእይቶ ስለዘለዎ ንዘተ ሰላም ግምት ከምዘይህቦ እዩ ዘረድእ። “ስርዓት ኢሳይያስ ንህወሓት ኣጥፊኡ ስልጣኑ ንኸናውሕ እዩ ንመንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዘይምልከቶም ኵናት ዝሸሞም ዘሎ። ንኣቢይ እውን ኣብ ዘተ ሰላም ንኸይርዕም ዓቢይ ጸቕጢ ከምዝገብረሉ እዩ ዝርድኣኒ፡” ይብል። ዶክተር ኣቢይ፡ ኣብቲ ፈለማ ንመራሕቲ ወያነ ኣብ ሕጊ ከየቕረብኩዎም ኣይድቅስን እየ'ኳ ይብል እንተነበረ፡ ሕጂ ግን ኣብ ፓርላማ ክሳብ ግብረ ሽበራዊ ጉጀለ ምስ ዝበሎ ውድብ ኮፍ ኢሉ ክላዘብ ተገዲዱ ምህላው ጋዜጠኛ ማሕሙድ ይገልጽ። “ኣቢይ ኵሉ ነገራቱ ክርእዮ እንከለኹ፡ ተዓጻጻፍን ፕራግማቲክ [ግብራዊ] ኣተሓሳስባ ዘለዎ ይመስል። ድሕሪ ልዝብ ካብቲ ክመጽእ ዝኽእል ነገራት ሓደ፡ ብርግጸኛነት ክዝረብ ዝክኣል’ኳ እንተዘይኰነ፡ ትግራዎት ሕቶ ምንጻል ከልዕሉ ይኽእሉ እዮም ዝብል ዘረባታት ብሰፊሕ ከም ዝስማዕ እውን ማሕሙድ የረድእ። ኣተሓሒዙ፡ “እዚ ግን ንኤርትራ ዓቢይ ሻቕላ ዝፈጥር እዩ፣ እታ እትምስረት ትግራይ ኣየናይ መሬት ሒዛ እያ ክትፍለ ዝብልን ካልእን ስክፍታታት ይፈጥር እዩ፤ እዚ ናይ ነዊሕ ስትራተጂ’ኳ እንተመሰለ ከም ሓደ ሲናርዮ ክለዓል ተኽእሎ ከም ዘሎ፡” ይጠቅስ። [ማሕሙድ፡ ኣብ ዝምድናታት ወጻኢ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ መጽናዕቲ ዝገበረን፡ ኣብ ዝተፈላለያ ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ዓርብኛን ፈረንሳን፡ ከም ምዱብን ‘ፍሪላንሰርን’ ኰይኑ ዝሰርሐ፡ ንፖለቲካዊ ኵነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዕምቈት ዝከታተልን ዝጸሓፈን ምኵር ኤርትራዊ ጋዜጠኛን ጸሓፍን እዩ። ዶ\/ር መንግስተኣብ ተስፋዮሃንስ ከኣ፡ ንፖለቲካውን ቁጠባውን ኵነታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ብዕምቆት ዝከታተል፡ ኣብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲታት ኣፍሪቃ፡ ኤወሮጳ ኣመሪካን ካናዳን ዝመሃረ ዝተፈላለየ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኒውዮርክን ዝምህር ዘሎ ናይ ቁጠባ ምሁርን ተመራማርን እዩ። ]","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3g9nxk9rpqo"} {"headline":"ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ: ምስ ትግራይ ዝተገብረ ዕርቀ ሰላም ንቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ዓወት እዩ!","content":"ማሕበረ ሰብ ዓለም ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ዘስካሕክሕ ኲናት ንምቁራጽን ነቶም ብጥሜት ዝሳቐዩ ዘለው ወገናት ቅልጡፍ ረድኤት ንክበጽሖምን ዝኸተምዎ ውዕል ሰላም ብሓጎስ የድንቑዎ ኣለው። ይኹን እምበር ናይ ብሓቂ'ዶ ይዕወት ይኸውን ዝብል ሕቶ ግን ከየልዓለ ኣይተረፈን። እቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕሪቶርያ፡ ኣብ ናይ ምፍርራም ስነ-ስርዓት ዝነበረ ናይ ሓጎስ ጣቕዒት ከይዘሓለ ኣብ ኣኽራን ትግራይ ድምጺ መዳፍዕ ይሃምም ኣሎ። ዕላማታት እቲ ስምምዕ፡ ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብቲ ክልል ዝገዝእ ዘሎ ሰልፊ - ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህ.ወ.ሓ.ት.) - ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝጀመሮ \"ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ\" ዝሰማማዕ ይመስል። ሰራዊት ትግራይ ዕጥቆም ናይ ምውራድ ናይ ዘተ መስርሕ ክህሉ እዩ። ዶ\/ር ኣቢይ እቲ ስምምዕ ምስ ወያነ ደኣ እምበር፡ ከምቲ ህዝቢ ትግራይ ዝደልይዎ \"መንግስቲ ትግራይ\" ከም ዘይኰነ እዩ ዝሕብር። ንሱ ነቲ ብ2020 ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ብህወሓት እተዓወተ ምርጫ ብምንጻግ ሓዲሽ ምርጫ ንምክያድ መደብ ኣውጺኡ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ እቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ህወሓት ምሉእ ብምሉእ ኢዱ ክህብ ጠለብ ኣቕሪቡ ነይሩ። እዚ ግን ኣይሰለጦን። ነቲ ንህወሓት ከም ግብረ ሽበራዊ ውድብ ዝምድብ ኣረኣእያ ብምልዓል ብዛዕባ ትግራይ ከመይ ክትካየድ ኣለዋ ኣብ ዝብል ፖለቲካዊ ዘተ ክኣቱ ቃል ኣትዩ ኣሎ። እቲ ስምምዕ ክልቲኦም ወገናት በቲ ዘሎ ፌደራላዊ ሕገ-መንግስቲ ክቕየዱ ምዃኖም እዩ ዘረድእ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ቀዳሞት ሰሙናት ናይቲ ውግእ ብክልል ኣምሓራ ዝተታሕዘ ከም ምዕራብ ትግራይ ዝኣመሰለ ሃብታም ናይ ሕርሻ ቦታታት ብቅዋማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዘጠቓልል እዩ። ይኹን እምበር እቶም ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ትግራዎት ሓረስቶትን፡ ምምሕዳራት ትግራይን ቅድም ናብ ቦትኡ ብዛዕባ ምምላስን ዘይምምላስን ግን ኣይገልጽን እዩ። ሰብኣዊ ባእታ ናይቲ ስምምዕ ነቲ ክሳብ ሓደ ሚልዮን ዝኸውን ሰባት ኣብ ጥሜትን ዓጸባን ዘውደቐ ኩነታት ንምፍታሕ በሪ ክኸፍት እዩ። ኣብ ቤልጀም ዝርከቡ ምሁራት ዘውጽእዎ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ ከኣ እቲ ረድኤት ንኣስታት 10 ሚኢታዊት ካብቲ ከባቢ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ትግራይ ክሽፍን ይኽእል እዩ። ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመታት ናይ ብዕጽዋን ከበባን ምጥማይን፡ ከምኡ እውን ዘየቋርጽ ወተሃደራዊ ጸቕጢ፡ ካብ ክልል ኣምሓራ ዝመጽኡ ሓይልታትን ከምኡ እውን ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝፍኖ መጥቃዕቲ፡ መራሕቲ ትግራይ ብዙሕ ሕድገታት ገይሮም እዮም። ካብቲ ዝገብርዎ ገምጋም ከኣ ፈለማ ድሕነት ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋጽ እዩ ዝመስል። ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ውግእ ካብ ዝውላዕ ንነጀው ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ዝዘርኡዎ ምህርቶም ከይኣከቡ ተመዛቢሎም። ሆስፒታላት ከም ኢንሱሊንን ጸረ-ነፍሳትን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ መድሃኒታትን ስለዘይብለን ሰባት ክፍወስ ብዝኽእል ቀለልቲ ሕማማት ይሞቱ ኣለው። እዚ ጸገም እዚ ዝኾነ ፍታሕ ኣይተራእዮን። ነቶም ምግቢ፡ መድሃኒትን ካልእ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ዘይብሎም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ቅልጡፍ ረድኤት ክበጽሖም ኣይክእልን ዘሎ። ብዙሕ ዘይተመለሰ ኣገዳሲ ሕቶታት ኣሎ። ብፍላይ ሰለስተን ቀንድን ኣገደስቲ ሕቶታት ኣለዋ። ብመሰረት ጸብጻብ ምዕራባውያን ዲፕሎማሰኛታት፡ እቲ ንመስመር ምክልኻል ትግራይ ዘፍረሰ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ፡ እቲ ካብ ኣስመራ ዝእዘዝ ሓባራዊ ናይ ኤርትራውያን-ኢትዮጵያ መጥቓዕቲ እዩ። ኤርትራ፡ ኣብቲ ስምምዕ ብስም እኳ እንተዘይተጠቕሰት፡ እቲ ጽሑፍ ግን ክልቲኡ ወገን \"ምስ ዝኾነ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ተጻብኦን ግጭትን ንኸይህሉ ስለዝእምም እቲ ጉዳይ ንኤርትራ ዘመልክት ክኸውን ይኽእል። ብዙሓት ሰባት፡ ፌደራላዊ መንግስቲ ነዚ ንምትግባር ዓቕሚ ከይሓጽሮ ይጠራጠሩ እዮም። ናይ ኤርትራ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ስምምዕ ስለዘይተሓወሰ፡ ብኣብዪ አሕመድ ዝተበጽሐ ስምምዕ ብዘየገድስ ነቲ ኲናት ክቕጽሎ ይኽእል ይኸውን። እቲ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ ንማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ጐና ንኽስለፍ ዝገበረቶ ዲፕሎማስያዊ እስትራቴጂ ዓወት እዩ። እቲ መስርሕ ናይ ምክትታል፡ ምርግጋጽን ምእማንን፡ ኣስታት 10 ሰባት ዝሓዘ ብፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ዝምእከል ንኣፍሪቃዊ ሕብረት ጸብጻብ ዝህብ ሓደ ንእሽቶ ኣሃዱ እዩ። ናይ ስራሕ መዝነት ፕረዚደንት ኦባሳንጆ ከኣ ብኣቦ-መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ እምበር ብቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣይኮነን ተዋሂቡ። ሕቡራት ሃገራት ምሉእ ብምሉእ ተገሊላ እያ። ብዛዕባ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ዝፍጠር ዘይምርድዳእን ብዝምልከት ኣብ ኢድ ክልተ ሰብኡት ሚስተር ኦባሳንጆን ሙሳ ፋቂን እዩ ወዲቑ። ንሳቶም እዮም ነቲ ጸብጻብ ኽምርምሩ ዝኽእሉ። እዚ ከኣ ሓደ ካብቲ ነቲ ጕዳይ ንምዕራይ ዘኽእል ፍልይ ዝበለ መስርሕ እዩ። ኩሉ ሳዕ ልዑል ስምምዕ ሰላም ብኣህጉራውያን መሻርኽቲ ኺምስከርሉ ዝግባእ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣመሪካን ናይ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ በይነ መንግስታዊ ውድብ ኢጋድ ጥራይ እዩ ብተዓዛብነት ክሳተፋ ፈቒዱ፤ ይኹን እምበር ሓንቲ ካብአን እውን ኣብቲ ስምምዕ ክታመን ኣየንበራን። ሕብረት ኤውሮጳ እቲ ዝዓበየ መዋሊ ንጥፈተታት ሕብረት ኣፍሪቃ እኳ እንተኾነ ኣብቲ ዘተ ብተዓዛብነት እውን ከይትሳተፍ ተኸልኪላ እያ። ኢትዮጵያን ናይ ወጻኢ ሓገዝ ስለ እትደሊ፡ ኢትዮጵያ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣህጉራዊ ደገፍ ንምርካብ ክሰርሓ እየን። እቲ ስምምዕ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ \"ሰፊሕ ሃገራዊ ናይ መሰጋገሪ ፍትሒ ፖሊሲ\" ንኽምስርት ዝጠልብ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ዝኾነ ኣህጉራዊ መርመራታት ብዝምልከት፡ ንኣብነት፡ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወይ ኮምሽን ኣፍሪቃ ንሰብኣውን ህዝባውን መሰላት ንክግበር ኣይጠቐሰን። ፕረዚደንት ኦባሳንጆ፡ ስምምዕ ምኽታም ሰላም ቀዳማይ ስጕምቲ ጥራይ ምዃኑ ብምጥቃስ ነቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ምውዓል ዝያዳ ከቢድ ዕዮ ከም ዝዀነ እዩ ገሊጹ። ኣብ ትግራይ ንዝፍጸም ዘሎ ግፍዕን ዓጸቦን ደው ንምባል ዘሎ ተስፋን ምርግጋጽ ሰላምን ብቐንዱ ኣብ ናይ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ እምነት እተመርኰሰ እዩ። እቲ ኣብ መጀመርታ ዘጋጥም ፈተና፡ ምስ ወያነ ሓቢርካ ህዝባዊ መግለጺታት ምሃብን\" ዝኾነ ተጻራሪ ፕሮፓጋንዳ፡ ረጽሚ፡ ዘረባ ጽልእን ንምውጋድ እዩ መብጽዓኡ። ንኽትቅበሎም ዘሸግሩ ቃላት'ኣብ ዓድን ዲያስፖራ ዝነብሩን ዘለዉ ዝቢ ትግራይ ምስ ሓዘኖም እዮም ነቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ተቐቢሎምዎ። ገሊኦም ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ክንዲ እቲ ውርደት ዝመልኦ ናይ ሰላም ውዕል ዝግዝኡ ናይ ደባይ ውግእ ክቕጽልዎ ተኽእሎ ኣሎ። ብዙሓት ኣባላት ማሕበረሰብ ዓለም፡ ዶር ኣብዪ ዕድል እንተ ተዋሂቡዎ ንመገዲ ሰላም ክቕጽሎን ደሞክራስን ርግኣትን ከም ዝሰፍን ንምግባር ጽቡቕ ሓሳብ ከም ዘለዎ ይኣምኑ።ገሊኦም ከኣ፡ ብኣንጻሩ ዶር ኣቢይ፡ ኢሳይያስን ካልኦትን ብዝመሃሩዎ ትምህርቲ፡ ዕላምኡ ንምውቃዕ፡ ሓበሬታ ዓጽዪ፡ ማእለያ ዘይብሉ ሰራዊት ኣዋፊሩ ንጥሜት ከም ውጽኢታዊ ኣጽዋር ከይጥቀመሉ ስግኣት ኣለዎም። ኢትዮጵያውያን፡ እዚ ሜላታት እዚ፡ እንተላይ ነቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝቕጽል ዘሎ ካልእ ፖለቲካዊ ብድሆታት ንምፍታሕ ከም ዘይውዕል ተስፋ ክገብሩ እዮም። እቲ ስምምዕ ዶር ኣብይ ንኢትዮጵያ ካብ ቅልውላው ንከውጽኣ ኣብ እምነት ዝተመስረተ እዩ። እቲ ቀዳማይ ትስፉው ፈተነ፡ ትማሊ ሓሙስ ሻምብቆ ብረት ተዅሲ'ዶ ኣቋሪጹ ዝብል እዩ። ግን ከምኡ ኣይተገብረን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ሰለስተ ግንባራት ከቢድ መጥቃዕቲ ከምዝፈነውን ሰራዊት ትግራይ ቦታኦም ኣጽኒዖም ከምዘለው እዩም ምንጭታት ናይቲ ከባቢ ዝሕብሩ ዘለው። ሕጂ እምበኣር ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣመሪካን ኢጋድን ኣብቲ መኣዲ ዘተን ልዝብን ተዓዘብቲ ዝነበሩ ማሕበረሰብ ዓለም ነቶም ሓይልታት ውግእ ደው ከብሉን ረጽሚ ከወግዱን ክጽውዑ ድሉዋት ክኾኑ ኣለዎም።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-63509699"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ፡ 'ምትእትታው' ምዕራባውያን ዝኹንን ሰልፊ ተኻይዱ","content":"ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ሓዊሱ፡ \"ንኢትዮጵያ ደው ኢለ ድምፀይ ከስምዕ እየ\" ብዝብል ጭርሖ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ህዝባዊ ሰልፊ ተኻይዱ። እቲ ሰልፊ፡ ኣንጻር \"ዘይተደለየ ምትእትታው\" ምዕራባውያን ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣዳለውቲ እቲ ሰልፊ ዝጠቐሱ ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ፡ \"ዕላማ ናይቲ ሰልፊ ንማሕበረሰብ ዓለም ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያ ንምሕባርን፣ ልኣላውነት ንምድጋፍን ኣብ ጎኒ መንግስቲ ደው ንምባልን” ከምዝተኻየደ ይዛረቡ። እዚ ሰልፊ እዚ፡ ኲናት ትግራይ ብዝተፈላለየ ግንባራት እናተጋደደ ይኸይድ ኣሎ ኣብ ዝበሃለለሉ፣ ቅትለትን ምምዝባልን ሰላማውያን ሰባት ኣብ ዝተጋደደሉን እዋን እዩ ተኻይዱ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ \"ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ካብ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክቑጠቡን ድሕነት ንጹሃት ክሕልዉን ንላቦ\" ኢሉ። ብተወሳኺ፡ ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ኢትዮጵያ ክትስሕብን፡ ደረት ኣልቦ ሰብኣዊ ሓገዝ ምሃብ ብቕልጡፍ ክጅመርን ጸዊዑ። ኣብቶም ሰልፍታት፡ \"ልኡላውነትና ይከበር\"፣ \"ህዝቢ ትግራይ ናትና እዩ\"፣ \"ብስም ሰብኣዊ ረድኤት ዝግበር ምትእትታው ደው ይበል\"፣ \"ኣብ ሓንቲ ልኡላዊት ሃገር ክልተ ሰራዊት ኣይክህሉን\" ዝብሉን ካልኦት ጭርሖታትን ይርከብዎ። ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ኣብ ትሕቲ ሓልዮት ሕብረት ኣፍሪካ፡ ኣብ መጻኢ ሰኑይ ዘተ ሰላም ከካይዱ ትፅቢት ይግበር። ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ሰብኣዊ ተኹሲ ደው ምባል ምስ ፈረሰ፡ መሊሱ ውግእ ተላዒሉ። እቲ ውግእ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ብመንገዲ ሕብረት ኣፍሪቃ ክካየድ ዝግበኦ ዝነበረ ናይ ሰላም ዘተ ድሕሪ ምስግጋር ኣብ ዝነበሩ መዓልታት ቀጺሉ። መንግስቲ ፌደራል ንከተማታት ሽረን ኣላማጣን ምቁጽጻሩ ይዝረብ። ዋላ እኳ መንግስቲ ንከተማ ኮረም ሒዘያ እንተበለ፤ መራሕቲ ትግራይ እታ ከተማ ሐዚ እውን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሮም ምህላዋ ገሊፆም። ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብዙሓት ንጹሃት ሰባት ከምዝተቐትሉን ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉን ጸብጻባት ይወጹ ኣለዉ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ዕለት 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ዝተወልዐን ንክልተ ዓመት ዝጸንሐን ኲናት፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ድማ ሰብኣዊ ረድኤት ዘድልዮም ኮይኖም እዮም። ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣመሪካ፣ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኤውሮጳን ካልኦት ኣህጉራውያን ትካላትን ሃገራትን ኲናት ሓድሕድ ደው ክብል፣ ደረት ኣልቦ ሰብኣዊ ረድኤት ክግበርን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ኣብ ትግራይ ክጅምርን ጻውዒት የስምዑ ኣለዉ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/czv4yx12d5eo"} {"headline":"ምስ ገለ ሃገራት ዘለኒ ርክብ ዳግመ-ግምት ክገብረሉ ክግደድ እየ' - መንግስቲ ኢትዮጵያ","content":"መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያ፡ ምስ'ቲ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ኲናት ሓድሕድ ብዝተኣሳሰር፡ ምስተን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ መሰረት ዘይብሉ ክስታት ዘቕርባ ዝበለን ሃገራትን ትካላትን ዘለዎ ርክብ ዳግመ-ግምት ክገብረሉ ከምዝግደድ ኣጠንቂቑ። ኣገልግሎት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ፌደራል ሎሚ ዕለት 18 ጥቅምቲ 2015 (ግእዝ) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ድሕሪ ደጊም ልዑል ሽም ዘለዎም ገበናት ጸለመ ከምዘይጻወር ገሊጹ። ፌደራል መንግስቲ \"ሓላፍነት ዝጎደሎ ፕሮፖጋንዳ ህወሓት\" የቃልሑ ኣለው ዝበለን ሃገራትን ትካላትን ብስም ኣይጠቐሰን። ኣብቲ ናይ ሎሚ መግለፂ፡ ምስተን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘይተረጋገፀን ፖለቲካዊ ጠንቂ ዘለዎን ክስታት የቕርባ ኣለዋ ዝበለን መንግስታትን ትካላትን ዘለዎ ርክብ ኣብ ግምት ከእቱ ከምዝተገደደ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ነዚ መግለጺ ዘውጽኦ፡ እቲ ኲናት ብዝተፈላለየ ግንባራት እናተናወጸ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ከምኡ’ውን ቅትለትን ምምዝባልን ሰላማውያን ሰባት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሓይልታት ኤርትራን ካብ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክቑጠቡን ድሕነት ንጹሃት ሰባት ክሕልዉን ኣተሓሳሲቡ ነይሩ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣሜሪካ ሓዊሱ ሕብረት ኣውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ቀረባ እዋን፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ንክወጹ ከምዝሓተቱ ይዝከር። ነዞም መግለጺታት ስዒቡ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ \"ንኢትዮጵያ ደው ኢለ ድምጸይ ከስምዕ እየ\" ብዝብል ጭርሖ ህዝባዊ ሰልፊ ተኻይዱ ነይሩ። ኣዳለውቲ እቲ ሰልፊ፡ \"ንዘይግቡእ ምትእትታው ምዕራባውያን ዝቃወም ኮይኑ፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን እታ ሃገር ንምኽባር ኣብ ኩሉ ዓውድታት ኣብ ጎኒ መንግስቲ ደው ከምንብል ንምርግጋጽ'ዩ\" ኢሎም ነይሮም። ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ምስ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ብዝተኣሳሰር ኣየርላንድ፡ ኣንፃር ልኡላውነት ኢትዮጵያ ዝኾኑ ተግባራት ትፍፅም ከምዘላ ዘመልክት ናይ መጠንቀቕታ ደብዳበ ናብታ ሃገር ፅሒፋ ከምዝነበረት ይዝከር። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮነን ናብ ኣየርላንዳዊ መዘንኡ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ እታ ኣውሮጳዊት ሃገር ኣየርላንድ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ \"ትጽቢት ዘይተገብረሉ ውዲት ትፍፅም ኣላ\" ክብል ከሲሱ ነይሩ። \"ንህወሓት ብምድጋፍ፡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ዘለዋ መንበር ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ትገብር ኣላ\" ዝብል እቲ እቲ ደብዳበ፡ \"ንኢትዮጵያ ካብ ምጥቃዕ ክትቁጠብ\" ይሓትት። ሃገራዊ ቴሌቪዥንን ምስ መንግስቲ ቅርበት ዘለዎም መራኸቡ ብዙሓንን፡ ምምሕዳር ፕረዚደንት ጆ ባይደን \"ምስ ሓደ ግብረሽበራዊ ብምውጋን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ይገብር ኣሎ\" ዝብል ጸብጻባት ይዝርግሑ ኣለዉ። እቲ ናይ ሎሚ መግለፂ፡ ገለ ትካላት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተዋደደ ጎስጓስ ከምዝጀመሩ ከሲሱ። እንተኾነ ግን ገለ ኣካላት በቲ ጸለመ ከምዝተታለሉን ገሊኦም ድማ ነዚ ክሲ ተጠቒሞም ኢትዮጵያ ንኽትሰግድ ይፍትኑ ከምዘለዉን ይኸስስ። \"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝወስዶ ዘሎ ናይ ምክልኻል ስጉምትታት ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ክሲ ብምቕራብ ንክቕየር ዘፈራርሑ ዘለዉ እንተመሲልዎም፡ ተጋግዮም እዮም\" ይብል። \"ገሊኦም ንህወሓት ከድሕኑ ይሰርሑ ኣለዉ\" ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ክስታትን ጸለመን ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ከምዘይቅይሮ ይሕብር። እቲ ቅድሚ ክልተ ወርሐ ዳግማይ ተወሊዑ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ዝቐጽል ዘሎ ደማዊ ኲናት ደው ክብል ዝተፈላለዩ ኣህጉራውያን መንግስታትን ትካላትን እናጸውዑ ይርከቡ። ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ኣመሪካ ነቲ፡ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ዘለዋ ደገፍ ገሊጻ'ያ። ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ዝኾነት ሊንዳ ቶማስ-ግሪንፊልድ፡ ነቲ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ዝቐተለ ኲናት ንምቁራጽ ዝካየድ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ሙሉእ ኣቓልቦ ብምሃብ፡ ኣሜሪካ ንሕብረት ኣፍሪቃ ትድግፍ ከምዘላ ተዛሪባ ነይራ። ይኹን እምበር፡ ኣብቶም ነዚ ጎንፂ ንምፍታሕ ዕንቅፋት ዝፈጥሩ ኣካላት ግቡእ ስጉምቲ \"ክንወስድ ድልዋት ኢና\" ክትብል ኣጠንቂቓ። ኣቦ መንበር ኮሚቴ ርክባት ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሴናተር ቦብ ሜንዴዝ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ሰኔት ብዘይ ምቁራፅ ተጻብኦ እቲ ኲናት ደው ንክብልን ንዝተፈፀሙ ጥሕሰታት ተሓታትነት ንምርግጋጽን ፅልዋ ዘሕድር እማመ ከሕልፍ ከምዝደፍእ ገሊጹ’ሎ። እቲ ዳግማይ ዝተወልዐ ኲናት ስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ነበርቲ ትግራይ ብኣልማማ መጥቃዕቲ ይፍጸም ከምዘሎ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፡ ሕብረት ኣውሮፓን ካልኦት ትካላትን ከምዝገለጹ ይዝከር። ኣብ ቀረባ እዋን ኣምነስቲ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ገለ ከተማታት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምዝርከቡ ሓቢሩ ነይሩ። መሻርኽቲ ሓይሊ ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝኾነ ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ከተማ ሽራሮ ካብ 1 ነሓሰ 2014 ክሳብ 2 መስከረም 2015 ብውሕዱ 40 ነበርቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝቐተለ ወሲኹ ኣፍሊጡ’ዩ። ኣብቲ ክልተ ዓመት ክመልእ ሒደት መዓልቲታት ዝተረፎ ደማዊ ኲናት፡ ዓመጽ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ​​ቅትለት፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ጥሜት ከም ኣጽዋር ምጥቃም ዝኣመሰሉ ከምዝተፈጸሙ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ከም ዘፍለጠ’ውን ክዝከር እዩ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cxw0gglndp0o"} {"headline":"ኲናት ትግራይ፡ ሓይልታት መንግስቲ ንከተማታት ኣላማጣን ኮረምን ተቖጻጺሮም","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊቱ ንከተማታት ሽረ፡ ኣላማጣን ኮረምን ከምዝተቖጻጸረ ኣፍሊጡ። ሓይልታት ትግራይ ትማሊ ምሸት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያን መሻርኽቱ ዝኾኑ ሓይልታትን ናብ ከተማ ሽረ ከምዝኣተዉ ሓቢሮም ነይሮም። ሰብመዚ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊቶም ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ጉድኣት ከይወርድ \"ልዑል ጥንቃቐ\" ከምዝገብርን፡ ኣብ ከተማታት ውግእ ንዘይምክያድ ጻዕርታት ከምዘካይድን ምግላጾም ይዝከር። ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ወገናት፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጉድኣት ከየውርድ ዘለዎም ሻቕሎት ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም። ትማሊ ሰኑይ፡ \"ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን\" እታ ሃገር ንምውሓስ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከብ መዓርፎታት ነፈርቲ ንምቁጽጻር ዕላማ ከምዘለዎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣጠንቂቑ ነይሩ። እስትራተጂካዊት ከተማ ሽረን ኣብታ ከተማ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲን ብእኣ ዝሓልፍ ኣገዳሲ መስመራት ጽርግያን ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር መንግስቲ ምእታዉ፡ ንሓይልታት ትግራይ ዓቢ ክሳራ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ። ብዘይካ'ዚ ሰራዊት ፈደራል ነተን ብኣንፈት ደቡብ ዝርከባ ከተማታት ኣላማጣን ኮረምን'ውን ተቖጻጺሩወን ኣሎ። እንተኾነ ግን፡ ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ ህዝቢ ትግራይ ክኸትት ብምጽዋዕ ኣንጻር'ቶም መሻርኽቲ ሓይልታት ዘካይድዎ ዘለዉ ውግኣት ክቕጽልዎ ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ። ወተሃደራት ኤርትራ፡ ንሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ይዋግኡ ምህላዎም ይግለጽ። እታ ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ዝነብሩላ ከተማ ሽረ፡ ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ከተማታት ክልል ትግራይ ኮይና፡ ዓበይቲ መስመራት ጽርግያ ዝሓልፉላ እያ። ኣብታ ከተማ ዘሎ መዓርፎ ነፈርቲ'ውን ንዘለዋ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ዘበርኽ'ዩ። ሽረ፡ ብሰንኪ'ቲ ንኣስታት ክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ካብ ምዕራብን ሰሜን ምዕራብን ትግራይን ዝተመዛበሉ ተፈናቐልቲ ዝዕቆቡላ ከተማ ምዃና'ውን ይፍለጥ። ምትሓዝ ሽረ፡ ንብዙሓት ተጋሩ ዘሰንበደን ዘቖጠዐን ፍጻመ ኮይኑ ከምዘሎ ጸብጻባት ካብታ ርእሰከተማ ናይቲ ክልል ዝኾነት መቐለ ሓቢሮም። ነበርቲ ከተማ መቐለ፡ ብዛዕባ ምዕባለታት ናይቲ ኲናት ንምፍላጥ ሬድዮታት ኣብ ምክትታል ተጸሚዶም ከምዘለዉን፡ ገለ ድማ ኣብ ኩርንዓት ጎደናታት እታ ከተማ ብምእካብ ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ክዘራረቡ ይራኣዩ። ካልኦት ድማ፡ ንሓይልታት ትግራይ ንምድጋፍ መግቢ ኣብ ምድላው ይኹን፡ ንገዛእ ርእሶም ንትሕጃ ዝኸውን ቀረብ መግቢ ኣብ ምኽዛን ይርከቡ። ሓንቲ ነባሪት፡ \"ካብቶም ከሕስሩና ዝመጹ ዘለዉ ርእስና ንምክልኻል ተስፋ ኣይክንቆርጽን ኢና\" ብምባል ትዛረብ። ካልእ ነባሪት ብወገና ብዛዕባ'ታ ኣብ ሽረ ዝነበረት ሓፍታ ከምእትሻቐል ብምግላጽ \"[ሓይልታት ፈደራል] ክቐትሉዋ እዮም\" ትብል ተዛሪባ። ነበርቲ ሽረ ካብታ ከተማ ሃዲሞም ይወጹ ኣብ ዘለውሉ እዋን፡ ሓይልታት ትግራይ ምትሓዝ እተን ከተማታት ንግዚኡ ምዃኑ ብምግላጽ ቃልሶም ክቕጽሉ ምዃኖም'ዮም ዝገልጹ ዘለዉ። ገለ ካብቶም ካብታ ከተማ ዝወጹ ዘለዉ ሰባት፡ ካብ ካልእ ቦታት ሃዲሞም ኣብ ግዝያዊ መጽለሊ ተዓቚቦም ዝጸንሑ'ዮም። \"ኣብ እዋን ኩናት ናይ ከባቢታት ምድፍፋእ ባህርያዊ\" ምዃኑ ዝገልጹ ሓይልታት ትግራይ፡ \"ሓያል ናይ ሞትን ሕየትን ርብርብ\" ከምዘካይዱ ኣፍሊጦም ኣለዉ። እቲ ኲናት ኣብ ዝተኻየደሎም ቦታታት ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣውሪዱ ምህላዉ'ዩ ዝግለጽ። ሕቡራት ሃገራት ከምዝብሎ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ 5.4 ሚልዮን ሰባት (ኣስታት ሰለስተ ርብዒ ህዝቢ ትግራይ) ናይ መግቢ ሓገዝ የድልዮም።ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣውሮጳን፡ ሓይልታት ኤርትራ ካብ'ቲ ምስ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዘካይድሉ ዘለዉ ሓበራዊ መጥቃዕቲ ጠጠው ኣቢሎም ካብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ክወጽኡ ሓቲቶም ኣለዉ። ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉተረዝ፡ “ኵነታት ኢትዮጵያ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ” ብምባል ተጻባእቲ ሓይልታት ብቕልጡፍ ናብ ሰላማዊ ዘተ ክምለሱ ጸዊዑ'ሎ። “ሰላማውያን ሰባት ከቢድ ዋጋ ይኸፍሉ ኣለዉ፣ ጐንጽን ዕንወትን ኣብ ዘሻቕል ደረጃ በጺሑ ኣሎ። ማሕበራዊ ምትእስሳር ይበታተኽ ኣሎ” ኢሉ ጉተረዝ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ። “ኣብ መንበሪ ሰላማውያን ሓዊሱ ዝፍጸሙ ዘለዉ ዒላማ ዘይፈለዩ መጥቃዕቲታት፡ መዓልታዊ ብዙሓት ሰላማውያን ይቐትሉ፣ ወሰንቲ ትሕተ ቅርጽታት የዕንዉን ተበጻሕነት ኣድለይቲ ኣገልግሎታት ይድርቱን ኣለዉ\"። እንተኾነ ግን፡ እቲ ካብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ዳግማይ ዝተወልዐ ውግእ ናይ ምዝሓል ኣንፈት የብሉን። ተኣዊጁ ዝነበረ በይናዊ \"ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት\" ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ'ዩ ተጣሒሱ ዘሎ። ክልቲኦም ወገናት'ውን ብዛዕባ ዳግማይ ምውላዕ ናይቲ ኲናት ንሓድሕዶም ክካሰሱ'ዮም ዝስምዑ። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣብቲ ኲናት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ትጽቢት ተነቢርሉ ዝነበረ ዘተ ሰላም ከምዝተዓናቐፈ ይዝከር። ዲፕሎማሰኛታት፡ ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ከቢድ ምፍሳስ ደም ሰላማውያን ሰባት ከየጋጥምእ ዘለዎም ስግኣት ይገልጹ ኣለዉ። ምዕራብ ካብ ከተማ ሽረ ዝርከባ ታሪኻውያን ከተማታት ኣክሱምን ዓድዋን ኣብ ውሽጢ ናይ 100 ኬሜ ርሕቀት'የን ዝርከባ። በቲ ኣረጋጊጾሞ ዘለዉ ዓወታት ዝተተባብዑ ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ፡ ንከተማ ኣክሱምን ዓድዋን ብምሓዝ ናብ ከተማ መቐለ ክግስግሱ ከምዝኽእሉ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ። ኣብ ፈለማ ወርሒ ነሓሰ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ መንነተን ዘይተፈልጣ ነፈርቲ ብምዕራባዊ ዶባት እታ ሃገር ሰሊኾን ብምእታው ኣጽዋራት ኣብ ከተማ ሽረ ከምዘራገፋ ተዛሪቡ ነይሩ። መራሕቲ ትግራይ ግን፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ'ዩ ብምባል ነጺጎሞ እዮም። ሰብመዚ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ'ውን፡ ክሊ ኣየር እታ ሃገር ስሞም ዘይጠቐስዎም \"ንህወሓት ዝድግፉ ተጻባእቲ ናይ ወጻኢ ኣካላት\" ክጥሕስዎ ምጽንሖም ብምኽሳስ፡ ንመዓርፎ ነፈርቲ ትግራይ ንምቁጽጻር ከምዝጽዕሩ ሓቢሮም ነይሮም። ኲናት ትግራይ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ድሕሪ ምጅማሩ፡ ብሓይልታት ክልል ኣምሓራን ኤርትራን ዝድገፍ ሰራዊት ፈደራልን ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ንዝሰፍሐ ክፋል ትግራይ ክቆጻጸር ኪኢሉ ነይሩ። ሓይልታት ትግራይ ኣብ ሰነ 2021 ነቶም ሓይልታት ደፊኦም ካብ ዝበዝሕ ከባቢታት እታ ክልል ደፊኦም ብምውጻእ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ድሕሪ ምእታዎም ግን፡ ትግራይ ኣብ ምሉእ ዕጽዋን ከባባን እያ ኣትያ ጸኒሓ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c25zk24n1g7o"} {"headline":"ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዓጸቦ ኣስታት 150 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱ ይግመት","content":"እታ ካብ ዓለም ተገሊላ ኣብ ዕጽዋ እትርከብ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተጀመረ ኵናት፡ ብዓሰርተ ኣሽሓት ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ሚልዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3g9p6nyy06o"} {"headline":"ሳተላይት ናሳ፡ ኣብ ትግራይ እንታይ'ዩ ስኢሉ?","content":"ብለይቲ ካብ ጠፈር ዝተቐድሑ ሓደስቲ ኣሳእል፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ንሓደ ህዝቢ ኣብ ዓለምና ካብቶም ዝኸፍኡ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ኣቃሊዕዎ ከም ዘሎ ብግልጺ ኣርእዮም ኣለው። ኤሌክትሪክ ስለዘቋረጸ፡ ከተማታት ትግራይ ን 20 ኣዋርሕ ብሃሳስ ጸሊም ይረኣያ። እዚ ብሳተላይት ናሳ ዝተወስደን ብቢቢሲ ዝዝርጋሕ ዘሎ ኣሳእል፡ ሰራዊትን ምልሻታትን ኢትዮጵያ ምስ ወተሃደራት እታ መሻርኽቲ ኰይና ዘላ ኤርትራ ሓቢሮም፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ጸብለልታ ኣብ ዝረኸቡሉ እዋን እዩ። ብሰሉስ ኢትዮጵያ ሰራዊታ ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ዝዀነት ሽረ፡ ከምኡ’ውን ካብ መቐለ ብደቡብ ዝርከባ ከተማታት ኣላማጣን ኮረምን ከምዝተቘጻጸረ ገሊጻ ነይራ። እዚ ዳግም ዝተወልዐ ኲናት፡ ነቲ ድሮ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝወረደ ኣሰቃቒ ኩነታት ከጋድዶ ከምዝኽእል፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣሜሪካን ካልኦትን የጠንቅቝ። ኣብታ ክልል ዝተነብረ እገዳ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ መብራህትን ባንክን ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት ንንኣሽቱ ህጻናት ማዕረ ክንደይ ከም ዝጸለወ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ትግራይ ዝተረኽበ መረዳእታ የመልክት። ኣሃዛት ከም ዘመልክቶ፡ ቍጽሪ ናይቶም ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድመኦም ብሕጽረት መግቢ ዝሞቱ ህጻናት፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብዘደንጹ መጠን ብ 1,533% ወሰኽ ኣርእዩ። ዶክተር ኮኾብ ሓጐስ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ትግራይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ መንጐ ሓምለ 2021 ክሳብ ሓምለ 2022 ኣብ ሆስፒታላት 2,450 ህጻናት ከምዝሞቱ ብምግላጽ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ መስመራት ቴሌፎንን ኢንተርነትን እውን ተቛሪጹ ስለዘሎ፡ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት እዅል ሓበሬታ ኣይተረኽበን። እዚ [ካብ ሕዳር 2020 ክሳብ ነሓሰ 2022] ዝተወስደ ምስሊታት ናሳ፡ ኣብ ከተማታት ሽረ፡ ኣኽሱምን መቐለን ከመይ ኢሉ ብርሃን እናነከየ ከም ዝመጽአ የርኢ። እዚ ኸኣ ወርሓዊ ዝርግሐ ኤሌክትሪክ ኣብተን ከተማታት ዘመልክት እዩ። መንግስቲ ፈደራል፡ ነቲ ሃገራዊ መርበብ ኤሌክትሪክ ተቘጻጺሩ፡ ነቲ መስመር ኤሌክትሪክ ትግራይ ከም ዝበተኾ ይኽሰስ። ቅድሚ’ቲ ኲናት፡ ኣብቲ ከተማታት እታ ክልል ዳርጋ ዘየቋርጽ ኣገልግሎት መብራህቲ ከም ዝነበረ ዝተፈላለየ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም። ብመሰረት’ቲ ኣብ መስከረም ዝወጽአ ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ፈደራል ካብቲ ግጭት ዝጀመረሉ መዓልቲ፣ 04 ሕዳር 2020 ኣትሒዙ ኣገልግሎት መብራህቲ፡ ኢንተርነት፡ ተሌኮሙኒኬሽንን ባንክ ከም ዘቋረጸ የመልክት። መጠን ብርሃን እተን ክልተ ከተማታት፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር መንግስቲ ፈደራል ኣብ ዝነብራሉ እዋን፡ ካብ መጋቢት ክሳብ ሰነ 2021፡ ደሚቝ ይርአ። መቐለ፡ ክሳብ ሓምለ 2021 ደሚቓ ትርአ - እዚ ኸኣ ክሳብቲ ብሓይልታት ትግራይ ዝተታሕዘትሉ እዩ። እታ ከተማ፡ ኣብ ቀዳማይ ወርሒ ‘ቲ ግጭት ዝጀመረሉ ግዜ ክትጽልምት እንከላ፣ ኣብተን ሸውዓተ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ዝጸንሓትለን ኣዋርሕ ግን በሪሃ ትርአ። እቲ ጸብጻብ ኮሚሽን ብተወሳኺ፡ \"ኣብ መወዳእታ ሰነ 2021 ሓይልታት ትግራይ ንመቐለ ካልኦት ሰፋሕቲ ከባቢታት ትግራይን ድሕሪ ምቍጽጻሮም፡ መንግስቲ ፈደራል መሊሱ ነቲ ክልል ዝኸይድ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ፡ ኢንተርነት፡ ተሌኮሙኒኬሽን፡ ባንክ ብምዕጻው ግብረመልሲ ሂቡ፡\" ክብል ኣስፊሩ’ሎ። ኣብ እዋን ግጭት እቲ እንኮ ዓቢይ ምንጪ ሓይሊ ኤሌክትሪክ እታ 7 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብራ ትግራይ ዝነበረ እቲ ብታሕሳስ 2021 ብቦምባ ዝተደብደበ ግድብ ሃይድሮኤሌክትሪክ ተከዘ እዩ። እቲ ምስሊ፡ ድሒሩ ኣብ ታሕሳስ 2021 እቲ ግድብ ድሕሪ ምድብዳቡ ኣብ መቐለ መብራህቲ ክጠፍእ እንከሎ የርኢ። እዚ ድማ ካብተን ኣርባዕተ ተርባይናት ንኽልተ ከም ዝወቕዐ ኣብ ካናዳ ዝመደበሩ ምሁር ጌታቸው ኣሰፋ ይገልጽ። \"መሃንድሳት ካብ ካልኦት መቀያየሪ ኣቝሑ ተጠቒሞም ክልተ ተርባይናት ከም ዝሰርሓ ገይሮም፣ እቲ ኵነታት ግን ኣዝዩ ኣሰካፊ'ዩ። እተን ዝሰርሓ ዘለዋ ክልተ ተርባይናት'ውን እንተዀነ፡ መለዋወጢ ኣቝሑ እንተዝርከብ ክጽገን ዝኽእል ጕድለታት ስለዘለወን ዘይብቝዕ ሓይሊ ኤሌክትሪክ እየን ዘፍርያ ዘለዋ፡\" ይብል፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካልጋሪ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ጌታቸው። እቲ ኣብ 2013 ኣብ ከባቢ መቐለ ስርሑ ክጅምር እንከሎ፡ ካብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ዝተባህለሉ፡ በዓል 84 ተርባይን ንፋስ “ኣሸጐዳ”፡ እቲ ግጭት ካብ ዝተላዕለሉ ካብ ስራሕ ወጻኢ ከምዝዀነ ፕሮፌሰር ጌታቸው ይገልጽ። ኣብኡ ዘለዉ መሃንድሳት፡ ነተን 19 ተርባይናት ከም ዝሰርሓ ገይሮምወን እዮም፤ ነቲ መርበብ ኤሌክትሪክ ትግራይ ጥራሕ ከም ዝምግብ ክገብርዎ ግን ኣይተኻእለን። ብመሰረት ኣሳእል ሳተላይት ናሳ፡ ኣብ ሓምለን ነሓሰን 2021 ከተማታት ሽረን ኣኽሱምን እናጸልመታ ክኸዳ ይረኣያ። ገለ ካብቲ ዘይምዕሩይነታት - ብፍላይ ኣብ ሓምለን ነሓሰን ናይዚ ዓመት - ምስ ወቕቲ [ማይ] እቲ እቲ ግድብ ዝተኣሳሰረ ክከውን ይኽእል እዩ፤ ምኽንያቱ እቲ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክፋል’ቲ ዝተዋደደ መርበብ ቀረብ ኤሌክትሪክ ከም ዝኸውን ገይሩ ስለዘተዳለወ ኵሉ ግዜ ሓይሊ ከመንጩ ከምዘይክእል’ዩ ፕሮፌሰር ጌታቸው ዝገልጽ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ምትሓዝ ሽረ ብመዕርፎ ነፈርቲ እታ ከተማ ኣቢሉ ኣብ ዝቈጻጸሮ ዘሎ ከባቢታት ሰብኣዊ ትካላት ኣፍደገ ከርሑ’ኳ ቃል እንተኣተወ፡ ኣብታ ክልል ኣገልግሎት መብራህቲ፡ ባንክን መራኸቢታትን ገና ተዓጽዩ እዩ ዘሎ። ኣብ ቅድመ ግንባር ዝርከቡ ምንጭታት ንቢቢሲ ከም ዝሓበርዎ፡ ኣብዚ እዋን እቲ ልፍንታዊ ሓይሊ ካብ ሽረ ናብ ምብራቕ ገጹ ንወገን ኣኽሱም፡ ዓድዋን ዓዲግራትን ይግስግስ ኣሎ። እዚ ዳርጋ ልክዕ ከምቲ  ቅድሚ ክልተ ዓመት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሽረ ሒዙ ነተን ካልኦት ከተማታት ሒዙ ንመቐለ ዝገስገሰሉ ኣገባብ እዩ ዝኸውን ዘሎ። መቐለ፡  እቲ ንኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ንስለ ሰብኣዊ ረዲኤት ተባሂሉ ደው ኢሉ ዝነበረ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ኣብ ነሓሰ ድሕሪ ምፍራሱ፡ ብተደጋጋሚ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተደብዲባ እያ። እዚ ነቶም 500 ሽሕ ዝግመቱ ነበርቲ እታ ከተማ ዘስካሕክሕ እዋን እዩ። \"እቲ ኲናት ጸንኪሩ እዩ ዝቕጽል ዘሎ። ኵሉ ግዜ፡ እታ ድሮን መዓስ ኰን እያ ክትመጽእ ሕጂ ኸ? ደቀይ ብህይወት ክረኽቦም ድየ? እናበልኩ እሻቐል፡\" ትብል ሓንቲ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር እትሰርሕ ነርስ። ካብቶም ኣብቲ ዞባ ዝተረፉ ውሑዳት ሰራሕተኛታት ረድኤት ሓንቲ፡ ኣብዚ እዋን መሳርሕታ’ውን ጥሜት ከም ዘረኻኸበሎም ትገልጽ። \"እቲ ዝተረፈ መግቢ ተዋሒዱ እዩ፤ መላእ ህዝቢ ኣብ ጥሜት እዩ ዘሎ፡\" ትብል። \"ኣማኢትን ኣሽሓትን ተስፋ ዝቘረጹ ሰባት ሓገዝ ንምርካብ ናባና እናመጽኡ ይሓቱ እዮም። ኣብ ገገዛኦም ብዙሓት ብጥሜት ይሞቱ ኣለዉ፡ ትሕዝቶኦም እናተጸንቀቐ እዩ።\" እንታይ ከም ዝኸውን ዓቢይ ስግኣት እዩ ዘሎ፣ ብፍላይ ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ክመጽእ ዝኽእል ሕነ ምፍዳይ የሻቕሎም እዩ። እቲ ዕጽዋ’ውን እንተ ተላዕለ፡ እቲ ኲናት ኣብ መሰረተ ልምዓት እቲ ክልል ነዊሕ ዝጸንሕ በሰላ ክሕድር  ግድን'ዩ፡ ይብል ፕሮፌሰር ጌታቸው። ድሮ’ውን ኣብ ሽረ ምዝማት ከምዘሎን ልክዕ ከምቲ ኣብ ዝቐደመ እዋን ዝተራእየ፡ ናብ ኤርትራ ገጹ ይግዕዝ ኣሎ ዝብል ክስታት ይስማዕ ኣሎ። \"ሓቂ እንተዀይኑ ካብ ትሕተ ቅርጺ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝተረፈ’ውን ከስዕቡ እዮም።\"","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72nryvg6j9o"} {"headline":"መራሕቲ ትግራይ ኣብቲ ዝመጽእ ሰኑይ ዝካየድ ዘተ ሰላም ከም ዝሳተፉ ተሓቢሩ","content":"መራሕቲ ትግራይ፡ መጻኢ ሰኑይ 14 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም (ግእዝ) ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ዘተ ሰላም ክሳተፉ ምዃኖም ኣጃንስ ፍራንስ-ፕረስ (ኤኤፍፒ) ሓቢሩ። ልኡኻት ትግራይ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ኲናት ብሰላማዊ መንገዲ ንምውዳእ ኣብቲ ዘተ ሰላም ከምዝሳተፍ ንኣመራርሓ ትግራይ ብምጥቃስ ኤኤፍፒ ፀብፂቡ። ሓደ ካብ ኣመራርሓ ህወሓት፡ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት ብ11 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ናብ ኤኤፍፒ ኣብ ዝለኣኾ ፅሑፍ \"ልኡኻትና ክሳተፉ እዮም\" ክብል ኣረጋጊጹ። ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ኣብ ቀጻሊ ሰኑይ ብሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝካየድ ዘተ ከምዝሳተፍ ምግላጹ ዝዝከር እዩ። ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳደር ሬድዋን፡ እቲ ዘተ ሰላም ሰኑይ ክካየድ ምዃኑ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዝሰምዑ ኣፍሊጡ ነይሩ። እቲ ኣምባሳደር፡ \"ኣብቲ ዘተ ንምስታፍ ዘለና ቃል ደጊምና ኣረጋጊጽና ኣለና\" ክብል ኣብ ትዊተርገጹ ሓቢሩ። እዚ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝሕሰብ ዘሎ ዘተ ሰላም፡ እቲ ኲናት ብዝተፈላለየ ግንባራት እናተጋደደ ኣብዝኸደሉን ቅትለትን ምምዝባልን ሰላማውያን ሰባት ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን እዩ። ጎኒ ጎኒ እዚ ድማ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕትን ብብሕቲ ከምዝዘራረብ ኣፍሊጡ’ሎ። ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ‘ውን ትማሊ ኣኼባ ዘካየደ ክኸውን ከሎ፡ ነቲ ዘተ ክመርሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ መግለጺ ሂቡ’ዩ። 15 ኣባላት ዝሓቖፈ ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ትማሊ ዘካየዶ ዕጹው ኣኼባ ዳግማይ ኲናት ድሕሪ ምጅማሩ ፈላማይ እዩ። ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብቲ ብዝተፈላለዩ ግንባራት ዝተጋደደ ኲናት ስክፍታ ከምዘለዎ ምግላጹ ስዒቡ፡ መራሕቲ ትግራይ 5 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ብኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ዝወጸ መግለፂ ብኣዎንታ ከምዝቕበልዎ ኣፍሊጦም ነይሮም። ሕብረት ኣፍሪቃ ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ መንግስቲ ፌዴራል ኢትዮጵያን ትግራይን ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ዘተ ሰላም ክሳተፉ ምጽውዑ ስዒቡ ክልቲኦም ወገናት ክሳተፉ ድልውነት ከምዘለዎም ምግላጾም ይዝከር። ይኹን እምበር፡ እቲ ዘተ \"ብሰንኪ ሎጂስቲካዊ ጸገማት\" ብዝብል ዘይንጹር ምኽንያት ከምዝተናውሐ ይፍለጥ። ብተወሳኺ ምስ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ላዕለዋይ ወኪል ቀርኒ ኣፍሪቃ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆን ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ዶክተር ፉምዚለ ምላምቦ-ናግኩካን ኣብቲ ዘተ ክሳተፍ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ኬንያታ ኣብ መወዳእታ፡ ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ ነይሩ። ኡሁሩ ኣብቲ ዘተ ክካየደሉ ተሓሲቡ ዝነበረ መዓልቲ ካልእ ትሑዝ መደብ ከምዘለዎን ክሳተፍ ከምዘይክእልን ብምግላጽ፡ ኣብ መጻኢ ግን \"ኣብ ኣቃውማን ኣፈጻጽማን ናይቲ ኣኼባ ከምኡ'ውን ብዛዕባ እቶም ዝተዓደሙ ኣደራደርቲ” መብርሂ ክወሃቦ ከምዝሓተተ ይዝከር። ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣውሮጳን ኣመሪካን ኣብ ኲናት ዘለዉ ወገናት ተኹሲ ደው ኣቢሎም ናብቲ ዘተ ክምለሱ ይጽውዑ ኣለዉ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyr0yzzv5jyo"} {"headline":"ሽረ ኣብ ቁጽጽር ሰራዊት ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ድሕሪ ምእታዋ ከመይ ኣላ?","content":"ሰኑይ 17 ጥቅምቲ 2022 ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ዝኣተወት ከተማ ሽረ እንዳስላሰ እንትርፎ ናይ ውሕዳት ሰባት ምንቅስቓስ እዙይ ዝበሃል ንጥፈት ከምዘየለ ምንጪ ቢቢሲ ካብታ ከተማ ሓቢሩ። ሰኑይ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ፣ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ዕጥቛት ፋኖን ናብታ ከተማ ከምዝኣተዉ ዝሓበሩ ምንጭታት ቢቢሲ፡ ዋላ’ኳ ድምፂ ተኹሲ እንተዘይተሰምዐ፡ ኣብታ ከተማ ወጥሪ ከምዘሎን ድኳናትን ንግዳዊ ንጥፈታትን ብምልኡ ተዓጽዩ ምህላውን ገሊጹ። ሓይልታት ትግራይ ብሰኑይ ኣማስዮም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን \"ብኩሉ ከባቢታት ዝጀመርዎ ቅሉዕ ውራር ኣጠናኺሮም ዝቐፀሉ እንትኾኑ ናብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ኣትዮም ኣለዉ\" ክብሉ ሓቢሮም ኔሮም። ሰራዊት ትግራይ'ውን ሓያል ናይ ሞትን ሕየትን ርብርብ ይቕፅል ከምዘሎ ብምግላፅ “ኩሉ ትግራዋይ ብፅንዓት ክምክት ይግባእ” ይብል እቲ ኣብ ፈይስቡክ ዝተዝርግሐ መግለጺ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብቲ ብሰኑይ ዘውጽኦ መግለጺ “ምእንቲ ልኡላውነት እታ ሃገር ክበሃል” ሰራዊት ኢትዮጵያ ንመዓርፎ ነፈርቲ ትግራይ ክቆጻጸር ከምዝኾነ ኣፍሊጡ’ዩ። ብሰንኪ እቲ ኣብታ ከተማ ብተኸታታሊ ክካየድ ዝቐነየ ደብዳባት ድሮን፣ ነፈርቲ ውግእን ከበድቲ ብረትን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ካብታ ከተማ ወጺኡ ናብ ገጠራት ይሃድም ከምዝነበረን፡ ብሰኑይ ኣብ ቁጽጽር ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ከምእትኣቱ ምስተፈለጠ ግን ዝበዝሕ ነባራይ እታ ከተማ ምውጽኡ ምንጭታት ገሊጾም። ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ “ሓይልታት ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ኣብ ዝተቖጻጸርዎም ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ቅትለትን ዓመጽን ይፍጽሙ ኣለዉ” ዝብል ሓበሬታ ክበጽሖ ስለዝቐነየ መንበሪኡ ሓዲጉ ይሃድም ከምዘሎ ቢቢሲ ካብታ ከተማ ዘዘራረቦ ነባሪ ሽረ እንዳስላሰ ሓቢሩ'ሎ። እቶም ሓይልታት ናብታ ከተማ ኣብ ዝኣተዉሉ እዋን ሰለስተ መናእሰይ ከምዝተቐተሉ ሓበሬታ ዝሃበና ውልቀሰብ ይገልፅ። ክሳብ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ድምጺ ጥይት ከምዘይተሰምዐን እቲ ኵናት ምናልባት ብኣንፈት ምብራቕ ናይታ ከተማ ይቕጽል ከምዘሎን ካብታ ከተማ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት። ሽረ እንዳስላሰ ኣብቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተወልዐ ኵናት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝኣተወት ኮይና ትማሊ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብተወሳኺ ዕጡቓት ሓይልታት ኣምሓራን ፋኖን ከምኡ’ውን ወተሃደራት ኤርትራ ናብታ ከተማ ምእታዎም ኣብ ነበርቲ ሻቕሎትን ራዕድን ከምዝፈጠረ እቲ ንድሕነቱ ስሙ ዝተዓቀበ ምንጪ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ትማሊ ሰሉስ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ፡ ገለ ነበርቲ ዝተሳተፉሉ ኣኼባ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ሰብኣዊ ሓገዛት ብኸመይ ክቕፅል ምግባር ከምዝከኣልን ኩነታት ፀጥታ ብኸመይ ምውሓስ ከምዝከኣልን ከምዝተዘተየ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት። እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተወደበ መድረኽ ዘተ፡ ኣብ ገባር ሆቴል ከምዝተኻየደ ይግለፅ። ወተሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ እውን ዕጡቓት ኣምሓራ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ሰፊሕ ዝበሃል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ዓለም-ለኻዊ ትካላትን ብተደጋጋሚ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ክገልጹ ምፅንሖም ይፍለጥ። ሽረ እንዳስላሰ ርእሰ ከተማ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኮይና ናብ መቐለ፣ ጎንደር፣ ሑመራን ኤርትራን ኣብ ዝወስዱ ኣርባዕተ ቀራና መገዲ ትርከብ። ብፍላይ ነቲ ኣብ ሞንጎ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ምስሕሓብ ዝፈጠረ ምዕራባዊ ክፋል ትግራይ ምስቲ ካልእ ክፋል እታ ክልል ኣብ ዘራኽብ ቦታ ዘላ ዝዓበየት ከተማ ከም ምዃና መጠን፡ ወተሃደራዊ ኣገዳስነታ ዕዙዝ ከምዝኾነ’ዩ ዝግለጽ። ኣብታ ከተማ ዘሎ መዓርፎ ነፈርቲ'ውን ንዘለዋ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ዘበርኽ'ዩ። እቶም ካብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ናብ ሽረ ዝኣተዉ ሰራዊት ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ነታ ከተማ ከም መተኣኻኸቢቶም መዋፈሪቶምን ብምጥቃም ናብ ቅድሚት ክግስግሱ ከምዝፍትኑ ድማ ይግመት። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን ኣቢሉ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝዘርግሖ መግለፂ፡ ነቲ ካብ ሽረ ናብ ምዕራብ ጎንደር ዝወስድ መገዲ ተጠቒሙ ሰብኣዊ ረድኤት ንምቕራብ ፃዕሪታት ከምዝገብር ሓቢሩ’ሎ። እንተኾነ እቲ ፌደራላዊ መንግስቲ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዛት ከይበፅሕ ከምዝዓገተ ካብ መራሕቲ ትግራይን ካልኦት ዓለምለኻውያን ትካላትን ክስታት ክቐርበሉ ምፅንሑ ይፍለጥ። ከተማ ሽረ ቅድሚ ኲናት ኣብ ዝነበረ ጊዜ ኣስታት ሓደ ሚእቲ ሽሕ ነበርቲ ይቕመጡላ ዝነበሩ ኮይኖም ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ግን ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተመዛበሉ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ተመዛበልቲ ከምዘዕቖቡላ ይግለፅ። ብሰንኪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዳግማይ ዝተወልዐ ኵናት ድማ፡ ካብ ኣድያቦ ዝተመዛበሉ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝግመቱ ሰባት ናብታ ከተማ ምእታዎም ይዝከር። ኣብ ከባብታት ታሕታይ ኣድያቦን ላዕላይ ኣድያቦን ክካየድ ብሰንኪ ዝቐነየ ኲናት ልዕሊ 470 ሽሕ ህዝቢ  ከምዝተመዛበለ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰራሕተኛታት ዓለም-ለኸ ትካላት ረድኤት ይገልፁ። ኲናት ትግራይ ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ፡ ብሓፈሻ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ስፊሕ ምፍንቓልን ጥምየትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ'ዩ። ብሰንኪ'ቲ ኲናት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ኣደዳ ጥምየት ክኾኑ እንከለዉ፡ ንዓጸቦ ዝተቓልዑ'ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ብፍላይ ኣብታ ኣብ ምሉእ ዕጽዋ እትርከብ ክልል ትግራይ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት፡ ባንኪ፡ ስልኪ፡ መብራህቲን መጓዓዝያን ብምቁራጹ ነበርቲ እታ ክልል ንሕሰም ተቓሊዖም ይርከቡ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cgl214eyd8lo"} {"headline":"ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ፡ ‘ኣዛብእ ሬሳታት ይቕለቡ’","content":"ኣብ ታሪኻዊት ትግራይ ዝተወልዐ ዘስካሕክሕ ኲናት፡ ኣዛብእ ሬሳታት ናይቶም ብነፈርቲ ኵናት ዝተሃርሙ ነበርቲ ዓድታትን ከተማታትን ይቕለቡ፣ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብኡትን መንእሰያት ደቀንስትዮን ናብ ሰራዊት ይውሕዙ፣ ህዝቢ ብጥሜት ይሃልቕ ኣሎ። ብኣማኢት ኣሽሓት'ኳ እንተዘይኰኑ፡ ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ከም ዝሞቱ ጸብጻባት ኵናት ይሕብሩ። እቲ ክልል፡ ኣብ ሓደ እዋን በቲ ኣብ ኣኻውሕ ዝተሃንጸ ኣብያተ ክርስትያናቱ፡ ብቛንቋ ግእዝ ዝተጻሕፈ ጥንታዊ ድርሳናቱ፡ መስሕብ በጻሕቲ ዓዲ እዩ ነይሩ። ሕጂ ግን እታ ኣብ ታሪኽ ኣቢሲንያ ማእከል ስልጣነ ዝነበረት ትግራይ፡ ብሓደ ሸነኽ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሽርክነት ብኻልእ ሸነኽ ድማ ሓይልታት ትግራይ ላዕለዋይ ኢድ ንምቍጽጻር ናብ ዝፋለሙላ ዓውደ ውግእ ተቐይራ ኣላ። ትግራይ፡ ን17 ኣዋርሕ ብዘይ ኣገልግሎት ባንክ፡ መራኸቢታት ተሌፎንን ኢንተርነትን ከምኡ'ውን ቀረብ ዕዳጋን ሃለኽትን ኣብ ዕጽዋን ከበባን እያ ትርከብ። ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት፡ ሚዛን ሓይሊ ዓውደ ውግእ ክልቲኦም ሓይልታት ክቀያየር ጸኒሑ ኣሎ፤ ዳይሬክተር ፋውንደሽን ሰላም ዓለም ኣሌክስ ደ ዋል፡ \"ኣብዚ ውግእ’ዚ፡ ብውሕዱ 500,000 ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ኣስታት 200,000 ሰራዊት ትግራይ ይዋግኡ ኣለው\" ይብል። ኣብዚ ንልዕሊ 50 መዓልታት ብዘይ ምቍራጽ ዝተኻየደ ውግእ፡ ሰራዊት ትግራይ ብሰንኪ ሕጽረት ተተኳሲ ንከተማ ሽረ ዝከላኸል መስመሩ ክዕቅቦ ከም ዘይክኣለ እውን ሓቢሩ። ዋላ’ኳ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሽረን ካልኦት ዝተቘጻጸረን ከባቢታትን ረድኤትን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከም ዝህብን ቃል እንተኣተወ፡ \"እዚ [ምንስሓብ] ንሰላማውያን ሰባት ኣደዳ ጃምላዊ ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽን ዓጸቦን ስለ ዝገብሮም ንተጋሩ ዓቢ ዕንቅፋት እዩ፡” ይብል። ሓደ ስሙ ክዕቀብ ዝመረጸ ሰራሕተኛ ረድኤት፡ ከተማ ሽረ ብኲናት ካብ ዝተሃሰየ ከባቢ ዝወሓዙ ኣስታት 600,000 ሰላማውያን ሰባት ተጸበይቲ ረድኤት ከም ዝርከቡ ብምግላጽ፡ እታ ከተማ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ብግልጺ እተርኢ እያ ክብል ተዛሪቡ። \"ልዕሊ 120,000 ሰባት ኣብ መሮር፡ ኣብ ትሕቲ ኣግራብን ቈጣቝጥን ተዓቚቦም ኣለው።\" ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ከተማ ሽረ ብከቢድ ብረት ሓይልታት ኢትዮጵያ ምስ ተደብደበት ዳርጋ ኵሎም ትካላት ግብረ ሰናይ ካብታ ከተማ ወጺኦም። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተቐማጦ ሸረ እውን ከምቲ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝወደቐ ካልእ ቦታታት  ካብ ዘጋጠመ ግፍዒ ስለ ዝፈርሑ፡ ካብታ ከተማ ይሃድሙ ኣለዉ። \"ኣብ መስከረም፡ ሺምብሊና ኣብ እትበሃል ቊሸት 46 ሰባት ተታሒዞም ብሓባር ከም ዝተቐትሉ ኣርባዕተ መሰኻኽር ሓቢሮም። ካልኦት ነበርቲ እታ ቝሸት ድማ ኣካላቶም ምስ ሬሳታት እንስሳ ዘቤት ተሓዋዊሱ ረኺቦምዎ\" ክብል ይገልጽ። ወሲኹ፡ \"ንገሊኡ እቲ ሬሳታት ኣዛብእ ስለ ዝበልዑዎ እቶም ግዳያት መነ መን ምዃኖም ተኸዲኖምዎ ብዝነበሩ ክዳን እዮም ተፈሊጦም። እቶም መሰኻኽር ነቲ ሬሳ ክቐብርዎ ግዜ ስለ ዘይነበሮም፡ ክሳብ ሽዑ እቶም ኣዛብእ በሊዖም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ'ዮም ዝገልጹ፡” ኢሉ። እቲ ሰራሕተኛ ረድኤት፡ እቲ ግፍዒ ዝያዳ ዘምርሮ መብዛሕትኦም እቶም ብጃምላ ዝተቐትሉ ግዳያት ኣብቲ ግጭት ዘይተሳተፉ ካብ ንእሽቶ ዓሌት ኩናማ  ምዃኖም’ዩ ክብል ገሊጹ። \"ክልቲኦም ወገናት [ኣብ ውግእ] ወተሃደራት ክኸስሩ እንከለው ሕርቃኖም ኣብ ነበርቲ እቲ ቝሸት እዮም ዘውጽእዎ፡” ኢሉ። ሓይልታት ትግራይ እውን ናብ ቦታኦም ቅድሚ ምምላሶም ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ብጃምላዊ ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽን ዝምታን ተኸሲሶም እዮም። እታ ሸውዓተ ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ትግራይ፡ ኣብቲ ልዕሊ 100 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ ዝወሓደ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ክልል እያ። ብዘይካ እቲ ኣብ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ፡ ኵሎም እቶም ንሓድሕዶም ዝዋጋኡ ዘለዉ ሓይልታት፡ ኣብዚ ውግእ ጸብለልታ ንምርካብ፡ \"ሰብኣዊ ማዕበል\" ከም ስልቲ ኵናት ይጥቀሙ ብምህላዎም ይኽሰሱ እዮም። ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝመደበሩ ተንታኒ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓብዱራሕማን ሰይድ፡ \"ሰባት ናብ ሰራዊት ምስ ተኸትቡ ድሕሪ ናይ ሒደት ሰሙናት ስልጠና ነታጒ ብዘለዎ ቦታ ናብ ዕርዲ ጸላኢኦም ከጥቅዑ ይለኣኹ። \"ጸላኢኦም ብዝፍንወሎም ጠያይቲ ብዙሓት ይሞቱ፤ ይዅን እምበር እቲ ኣንጻሮም ዝዋጋእ ዘሎ ተተኳሲ ክሳብ ዝውድእን ንዕርድታቱ ዝቈጻጸሩን ብማዕበል ይመጽኡ” ኢሉ። ወሲኹ፡ \"ከምዚ ዓይነት ውግእ ግዜኡ ዝሓለፎ'ዩ፤ ንጉስ ኣቢሲንያ [ሚኒሊክ] ብ1890ታት ንወረርቲ ጥልያን ንምስዓር ንፈለማ ዝተጠቕመሉ ስልቲ እዩ። ኢጣልያውያን ናይ ሓይሊ ኣየር ጸብለልታ'ኳ እንተነበሮም፡ ብብዝሒ ሰራዊት ተዓብሊሎም ተሳዒሮም\" ይብል ። ኣቶ ዓብዱራሕማን፡ በዚ ሜላ እዚ ዝካየድ ውግእ ኣኽሳሪ ብምዃኑ ኣብዚ ክልተ ዓመቱ ዝገማገም ዘሎ ውግእ ካብ 700,000 ክሳዕ 800,000 ዝዀኑ ሰባት ሞይቶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይግምት። \"እዚ ውግእ’ዚ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ካብ ዝተገብረ ውግኣት ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እዩ” ክብል ርእይቶኡ ሂቡ። ተቐማጢ ኣሜሪካ ተንታኒ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፈይሰል ሮብለ፡ ተጋሩ ህዝባዊ ማዕበል ተጠቒሞም እዮም ንዝብል ዘረባ'ኳ እንተዘይተቐበሎ ብዛዕባ ብዝሒ ሞት ዘለዎ ግምት ግን ካብ ናይ ዓብዱራሕማን ብዙሕ ዝፍለ ኣይኰነን። \"ኣብቲ ቀዳማይ ክልተ ክፋል እቲ ውግእ፡ ኣስታት 500,000 ዝዀኑ ሰባት ከም ዝሞቱ፡ ኣብዚ ሳልሳይ ዙርያ ውግእ ከኣ ክሳብ 100,000 ዝዀኑ ሰባት ሞይቶም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም\" ይብል። ኣቶ ሮብለ ወሲኹ፡ ሰራዊት ትግራይ ብግቡእ ዝሰልጠነን ናይ ምውጋእ ልባዊ ድሌት ዘለዎ ክኸውን እንከሎ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከኣ ክልተ ብልጫታት ኣለዎ፤ ብዝሒ ሰብን ሓይሊ ኣየርን ኢሉ። “ሕጂ ኣምባሳደር ኰይኑ ዝዓዩ ዘሎ ሓደ ጀነራል፡ ኣብ ዓመታዊ ሓደ ሚልዮን መንእሰያት ክዕልሙ ከም ዝኽእሉ ሓቢሩ ነይሩ። ኣብ ርእሲኡ ነፈርቲ ኵናትን ውጺኢታውያን ዝዀና ናይ ቱርኪ ድሮናትን እውን ኣለዎ። ተጋሩ ግን ሓይሊ ኣየር የብሎምን \"ይብል ። ከተማታት ትግራይ ካብ ኣስመራ ርሑቓት ስለ ዘይኰና፡ መአዘዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ቢሾፍቱ ናብ ከተማ ኣስመራ ግዒዙ ኣሎ። እተን ነፈርቲ ድማ፡ ካብ ኣስመራ እየን ዝበራ ዘለዋ ኢሉ። \"እተን ድሮናት ካብ ቢሾፍቱ ይግዕዛ ኣለዋ\" ይብል ሮብለ ። ኤርትራ ኣብ ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ ዝኣተወትሉ ቀንዲ ምኽንያት ንህወሓት ከም ጸላኢ ስለ እትርእዮ እዩ። ህወሓት፡ ኣብ 2018 ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ስልጣን ክሳብ ዝሕዝ፡ ንልፍንቲ ኣርባዕተ ውድባት ኢህወደግ ብመሪሕነት ይመርሕ ነይሩ። ህወሓት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበርሉ እዋን ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ኣብ ክልተ ዓመት፡ ህይወት ኣስታት 80,000 ሰባት ዘጥፍአ ናይ ዶብ ኲናት ኣካይደን እየን። ድሕሪ እቲ ውግእ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ፡ ንኤርትራ ካብ ዝፈረዶ መሬት ምውጻእ ኣብዩ። ኣብ ሕዳር 2020 ካብ ማእከላይ ስልጣን ዝተኣልየ መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ውግእ ምስ ኣተወ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ህወሓት ዳግም ስግኣት ንከይኮኖ፡ ንኣብይ ኣሕመድ ንምሕጋዝ ወሲኑ ተላዒሉ። ነቲ ተታሒዙ ዝነበረ መሬት ከኣ ቀልጢፉ ኣምሊሱዎ። \"እቲ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘተሓሳስቦ ጉዳይ፡ ህወሓት ኣብ ኢትዮጵያ ዳግማይ ስልጣን ከይሕዝን፡ እታ ክልል መስኮት ባሕሪ ስለ ዘይብላ፡ ኣብ ኣስመራ ኣፍደገ ባሕሪ ዝህቦ ናይ ሳተላይት መንግስቲ ከይተክልን እዩ\" ይብል ዓብዱራሕማን ። ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንቲ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ እናሓየለ ብምምጽኡ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከቡ ካብ ሰራዊት ዝዀብለሉን ናብ ታዕሊም ክወርዱ ዘይደለዩን ንምህዳን ጽዑቕ ግፋ የካይድ ከም ዘሎ፡ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ብዙሓት ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም ። ኣብ ዝሓለፈ መስከረም፡ ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ ኣኽሩር ኣብ እትበሃል ዓዲ ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስትያን ብምእታው ንመዘምራንን ተመሃሮ እምነትን ገፊፎም ወሲዶምዎም። ፕሮፈሰር ደ ዋል ከም ዝብሎ፡ እቲ ኢሳይያስ ዘካይዶ ዘሎ ጽዑቕ ግፋ ተቐባልነት ከም ዘይበሉ ዘርኢ እዩ። ይዅን እምበር ናብ ትግራይ ብዝሒ ሰራዊት ኣየዋፈረን። \"ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣሃዱታት ኣለዋ። እንተዀነ መብዛሕትኡ እቲ ኲናት ብሓይልታት ኢትዮጵያ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ኢሳይያስ፡ ኣቢይ ብኸመይ ክዕወት ከም ዝኽእል ከርኢ ይኽእል እየ ኢሉ ስለ ዝኣምን እዩ ነቲ ውግእ ዘካይዶ ዘሎ። ይዅን እምበር፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ናይ ሞትን ህይወትን ህሞት ስለ ዘሎ ብኻራሩን ደናጉላን ከይተረፈ ክዋጋእ እዩ\"ኢሉ። ኣቶ ዓብዱራሕማን፡ እቲ ውግእ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሽዱሽተ ግንባራት እዩ ይካየድ ከም ዘሎን፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ድማ ኣብ ጥቓ ከተማ ዓዲግራት ትግራይ ዓስኪሮም ከም ዘለው ይገልጽ። “ናብ ዓዲግራትን መቐለን መጥቃዕቲ ንምፍናው ተዳልዮም ኣለው\" ኢሉ። ኣብቲ ዓውደ ውግእ ዝነበሩ ምንጭታት ንቢቢሲ ከም ዝሓበርዎ፡ ሓይልታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልቲኦም ካብ ሽረ ተበጊሶም፡ ናብ ታሪኻዊት ከተማ ኣኽሱም፡ ናብ ዓድዋ ከምኡ እውን ናብ ዓዲግራት ገጾም ብምግስጋስ ካብ ምዕራብ ናብ ምብራቕ ይግዕዙ ከለዉ የመልክት። ማሕበረሰብ ዓለም፡ ነቲ ግጭት ብሰላም ክፈትሕዎ ተሪር ምሕጽንታ ከቕርቡሎም እኳ እንተ ጸንሑ፡ ዓብዱራሕማን ግን እቲ ናይ ሰላም ዘተ ክኸውን ከምዘይክእል እዩ ዝግምት። \"ታሪኽ ከም ዝሕብሮ፡ ገዛእቲ ደርብታት ኣቢሲንያ፡ ሕጂ ድማ ኢትዮጵያ፡ ወትሩ ስልጣን ንምቍጽጻር እዮም ዝቃለሱ። ካልእ ንጉስ መጺኡ ስልጣን ክሳብ ዝርከብ ሓደ ንጉስ፡ ናይ ኵሎም ነገስታት፡ ሓያል ንጉስ ነገስታት ኰይኑ እዩ ዝገዝእ።  ንሓደ ጕዳይ ብሰላም ናይ ምፍታሕ ልምዲ የልቦን። ኵሉ ሳዕ ናይ ዜሮ ድምር ጸወታ ንጸላኢኻ ብስዕረት ምምብርካኽ ባህሊ እዩ ዘሎ\" ይብል። ፕሮፈሰር ደ ዋል፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ተዅሲ ብህጹጽ ደው ንምባል ሓያል ስጕምቲ ክወስድ ከም ዘለዎ ይዛረብ። \"ካብኡ ተረፈ፡ ጃምላዊ ቅትለት፡ ጃምላዊ ጥሜትን ህልቂትን እንተጋጠመ ዘገርም ኣይኰነን\" ኢሉ። ኣብዚ ዓመት እዚ፡ ጕጅለ መጽናዕቲ ዩኒቨርሲቲ ቤልጅም፡ እቲ ውግእ ኣብ ሕዳር 2020 ካብ ዝጅምር ከሳብ ሕጂ ልዕሊ 250,000 ሰላማውያን ነበርቲ ትግራይ ብጥሜትን ምስ ጥሜትን ዓጸቦን ብዝተሓሓዝ ጠንቅታትን ከም ዝሞቱ ግምታ ኣስፊሩ ኣሎ። \"እዚ እዋን ዓጺድ ዝጅምረሉ ወቕቲ እዩ። እንተዀነ ብሰራዊት ኤርትራ ዝምራሕ ሰራዊት ንምድረ ትግራይ የባድማ ኣሎ።\"","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72zrw4zg9zo"} {"headline":"ኲናት ትግራይ፡ 'ብኣልማማ ዝካየድ መጥቃዕትታት ምስ ገበናት ኲናት ዝዳረግ'ዩ'","content":"ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ደብዳባት ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዕንወት የወርድ ከምዘሎ ዝገልጽ ጸብጻባት ከምዝበጽሖ ትካል ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ኣብቲ ሎሚ ረቡዕ ዝሃቦ መብርሂ \"ብሰኪ መጥቃዕቲታት ኣየርን ደብዳባት ከቢድ ብረትን ሲቪላውያን ከምዝሞቱን ሲቪላዊ ንብረት ከምዝዓነወን ዝገልጹ ብርክት ዝበሉ ጸብጻባት በጺሑና ኣሎ\" ኢሉ። ውግእ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዳግማይ ድሕሪ ምውልዑ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን ሓይልታት ኤርትራን ብዘካየድዎም ደብዳባት ሓያለ ሰባት ከምዝሞቱ ነበርቲን ሰብመዚን ትግራይ ክሕብሩ ምጽንሖም ይፍለጥ። \"ብኣልማማ ዝካየድ መጥቃዕትታት ወይ ድማ ብፍላጥ ንሲቪላውያን ወይ ሲቪላዊ ንብረት ዒላማ ምግባር ምስ ገበናት ኲናት ዝዳረግ'ዩ' ክትብል ኣፈኛ ናይቲ ትካል ተዛሪባ። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዩ ጉተረዝ ዝርከቦም ብዙሓት ዲፕሎማሰኛታት እቲ ዝካየድ ዘሎ ከቢድ ውግእ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ህልቂት ከየስዕብ ዘለዎም ስግኣት ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም። ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጀነቫ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ሞት ሲቪላውያን ትማሊ ዘውጽኦ መግለጺ ብምንቃፍ ሰራዊቱ ኣብቲ ውግእ \"ልዑል ጥንቃቐ\" ይገብር ኣሎ ኢሉ። ብሓይልታት ኤርትራን ክልል ኣምሓራን ዝድገፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ንዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ምቁጽጻሩ ይዝከር። ድሕሪ ምትሓዝ ከተማ ሽረ፡ ኣላማጣን ኮረምን ከምዝተቖጸጸረ መንግስቲ ብሰሉስ ገሊጹ ነይሩ። እንተኾነ ግን፡ ሓይልታት ትግራይ ከተማ ኮረም ኣብ ኢዶም ከምዘላ ብምሕባር፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ጽዕጹዕ ውግኣት ይካየድ ከምዘሎ ገሊጾም ኣለዉ። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት “ኵነታት ኢትዮጵያ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ” ብምባል ተጻባእቲ ሓይልታት ብቕልጡፍ ናብ ሰላማዊ ዘተ ክምለሱ ጸዊዑ። ኣንቶንዮ ጉተረዝ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ሰላማውያን ሰባት ከቢድ ዋጋ ይኸፍሉ ኣለዉ፤ ጐንጽን ዕንወትን ኣብ ዘሻቕል ደረጃ በጺሑ ኣሎ። ማሕበራዊ ምትእስሳር ይበታተኽ ኣሎ፡” “ኣብ መንበሪ ሰላማውያን ሓዊሱ ዝፍጸሙ ዘለዉ ዒላማ ዘይፈለዩ መጥቃዕቲታት፡ መዓልታዊ ብዙሓት ሰላማውያን ይቐትሉ፣ ወሰንቲ ትሕተ ቅርጽታት የዕንዉን ተበጻሕነት ኣድለይቲ ኣገልግሎታት ይድርቱን ኣለዉ\" ኢሉ ነይሩ። ሕብረት ኤውሮጳ ብወገኑ ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ዝጀመሮ ሓባራዊ መጥቃዕቲ ብቕልጡፍ ደው ክብል፤ ሰራዊት ኤርትራ ድማ ካብ ልኡላዊ መሬት ኢትዮጵያ ሙሉእ ብሙሉእ ክስሕብ ጸዊዑ። ኤርትራ፡ ነቲ ዋና ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብዛዕባ'ቲ ግጭት ዝሃቦ መግለጺ ዘለዋ ተቓውሞ ገሊጻ'ላ። ብሰንኪ ዳግማይ ምውላዕ ናይቲ ኲናት ትካላት ረዲኤት ናብ ክልል ትግራይ ዘካይድዎ ዝነበሩ ምብጻሕ ሕጹጽ ሓገዝ ደው ከብሉ ምግዳዶም ይዝከር። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ናይ ቅልውላው ዓመታት ትግራይ ንዝበዝሕ እዋን ኣብ ምሉእ ዕጽዋን ከባባን'ያ ትርከብ። ማሕበረሰብ ዓለም፡ ኩሎም ተዋጋእቲ ወገናት ተጻብኦታት ደው ብምባል፡ ህጹጽ ረዲኤት ናብቶም ልዕሊ 5 ሚልዮን ተጸበይቲ ክበጽሕ ከፍቅዱ ክጽውዑ ምሕጽንታ ከቕርብ'ዩ ጸኒሑ። ኣብቲ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት፡ ሲቪላውያን ዝርከብዎም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት። ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ኣይሰመረን ዘሎ። ዋላ'ኳ ክልቲኦም ወገናት ንሰላማዊ ዘተ ዘለዎም ቅሩብነት እንተገለጹ፡ ውግእ ምቕጻሎም ነቲ ኩነታት ሓላሊኽዎ ይርከብ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw87g60y1w2o"} {"headline":"ከተማ ኮረም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ከምዘላ መራሕቲ ትግራይ ገሊጾም","content":"ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ትግራይ ዝኾነ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት፡ እታ ኣብ ደቡብ ትግራይ ትርከብ ከተማ ኮረም፡ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓይልታት ትግራይ ከም ትርከብ ንቢቢሲ ገሊፁ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ከተማታት ሽረ፡ ኣላማጣን ኮረምን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሰራዊት ፈደራል ከምዝኣተዋ ሓቢሩ ነይሩ። እንተኾነ ግን ፕሮፌሰር ክንደያ፡ መንግስቲ ንከተማ ኮረም ከምዝተቖጻጸረ ምግላጹ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከም ዝኾነ ብምሕባር፡ \"ሓይልታትና ኣብ ኮረም ኣለዉ\" ክብል ብረቡዕ ምሸት ንቢቢሲ ገሊጹ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ብርቱዕ ውግእ ይካየድ ከም ዘሎ'ውን ክንደያ ገብረሂወት ሓቢሩ። ብሰንኪ'ቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት መስመራት መራኸቢታት ብምቁራጹ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ብናጻ ኣካል ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኮይኑ'ሎ። ሓይልታት ትግራይ ብሰኑይ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ብሓይልታት ኤርትራ ዝድገፍ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ከተማ ሽረ ከምዝኣተወ ኣረጋጊጾም ነይሮም። እቲ ኣብታ ክልል ዝቕጽል ዘሎ ውግእ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዘውርዶ ዘሎ ከቢድ ጉድኣት ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ'ሎ። ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ \"ብሰኪ መጥቃዕቲታት ኣየርን ደብዳባት ከቢድ ብረትን ሲቪላውያን ከምዝሞቱን ሲቪላዊ ንብረት ከምዝዓነወን ዝገልጹ ብርክት ዝበሉ ጸብጻባት በጺሑና ኣሎ\" ኢሉ። \"ብኣልማማ ዝካየድ መጥቃዕትታት ወይ ድማ ብፍላጥ ንሲቪላውያን ወይ ሲቪላዊ ንብረት ዒላማ ምግባር ምስ ገበናት ኲናት ዝዳረግ'ዩ' ክብል'ውን ኣጠንቂቑ። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዩ ጉተረዝ ዝርከቦም ብዙሓት ዲፕሎማሰኛታት እቲ ዝካየድ ዘሎ ከቢድ ውግእ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ህልቂት ከየስዕብ ዘለዎም ስግኣት ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም። ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጀነቫ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ሞት ሲቪላውያን ትማሊ ዘውጽኦ መግለጺ ብምንቃፍ ሰራዊቱ ኣብቲ ውግእ \"ልዑል ጥንቃቐ\" ይገብር ኣሎ ኢሉ። ንኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ፡ ክልቲኦም ወገናት በይናዊ \"ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት\" ኣዊጆም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ዳግማይ ውግእ ምውልዑ ይዝከር። ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት፡ ሚዛን ሓይሊ ዓውደ ውግእ ክልቲኦም ሓይልታት ክቀያየር ጸኒሑ ኣሎ። ኣብ ሕዳር 2020 ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት 'ሰሜን እዝ' መጥቃዕቲ ከም ዝወሰደ ምስ ተኸሰሰ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ክሳብ ንርእሰ ከተማ እታ ክልል ንመቐለ ተቐጻጺሮም። ድሕሪ ኣስታት ሸሞንተ ኣዋርሕ፡ ሰራዊት ትግራይ ተወዲቡ ኣብ ጐረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከይተረፈ ጸረ-መጥቃዕቲ ብምፍናው፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ገጹ ገስጊሱ ነይሩ። ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝኸውን በይናዊ ምቍራጽ ተጻብኦ ተገይሩ ድሕሪ ምጽናሕ እቲ ውግእ ዝሒሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ነሓሰ ብዝጀመረ ውግእ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ቀረባ መዓልታት ንከተማ ሽረ ተቘጻጺሮም ዳግም ንከተማ መቐለ ንምሓዝ ይግስግሱ ኣለው። ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ ናይ ክተት ኣዋጅ ብምቕጻል፡ ቃልሶም ክቕጽሉ ምዃኖም ኣፍሊጦም ኣለዉ። ማሕበረሰብ ዓለም፡ ኩሎም ተዋጋእቲ ወገናት ተጻብኦታት ደው ብምባል፡ ህጹጽ ረዲኤት ናብቶም ኣስታት 5.4 ሚልዮን ተጸበይቲ ክበጽሕ ከፍቅዱ ክጽውዑ ምሕጽንታ ከቕርብ'ዩ ጸኒሑ። ኣብቲ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት፡ ሲቪላውያን ዝርከብዎም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት። ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ኣይሰመረን ዘሎ። ዋላ'ኳ ክልቲኦም ወገናት ንሰላማዊ ዘተ ዘለዎም ቅሩብነት እንተገለጹ፡ ውግእ ምቕጻሎም ነቲ ኩነታት ሓላሊኽዎ ይርከብ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/clm8zz3zp7lo"} {"headline":"ኣብ ትግራይ ደንጎላት፡ ብመጥቃዕቲ ኣየር 5 ሰባት ከምዝሞቱ ሓካይም ሓቢሮም","content":"ኣብ ትግራይ ደንጎላት ኣብ ዝበሃል ከባቢ፡ ብዝተፈፀመ ደብዳብ ነፈርቲ 5 ሰባት ከምዝሞቱን 37 ከምዝቖሰሉን ሓደ ዶክተር ንቢቢሲ ሓቢሩ። እቲ ትማሊ ብዓርቢ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ካብ ርእሰ ከተማ መቐለ 30 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ደንጎላት ከምዝተፈጸመ ተገሊፁ። ላዕለዋይ ዳይሬክተር ሆስፒታል ዓይደር መቐለ፡ ዶክተር ክብሮም ገብረ ስላሰ ንቢቢሲ ከምዝገለጾ፡ ካብቶም ዝተጎድኡ እቶም ሸውዓተ ዓብዪ መጥባሕቲ ዘድልዮም እንትኾኑ፡ እቶም ካልኦት ድማ ዝተፈላለዩ ደረጃ መጉዳእቲ ከምዘጋጠሞም ገሊጹ። ኣብቲ ክልል ብዘሎ ምቁራፅ መራኸቢታት፡ ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ክረክብ ኣይከኣለን። ማዕከን ዜና ሮይተርስ፡ ንሚኒስተር ዲኤታ መራኸቢታት ዶክተር ለገሰ ቱሉ፣ ኣፈኛ ሓይሊ ምክልኻል ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነንን ወሃቢት ቃል ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩምን ከዛርብ ፈቲኑ ምላሽ ኣይረኸበን። መራሕቲ ትግራይን ምንጭታት ዓለም ለኻዊ ትካላት ረድኤትን፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀመ እኳ እንተገለፁ ካብ መንግስቲ ዝተብሃለ ነገር የለን። ኣብ ዓዲ ዳዕሮ ዝተባህለ ቦታ ተመዛበልቲ ዝተዓቖብሉ ኣብ ዝተብሃለሉ ቦታ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣየር ብርክት ዝበሉ ሰባት ከምዝሞቱ ሰራሕተኛታት ትካል ረድኤት ንቢቢሲ ከምዝገለፁ ዝዝከር እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ሕዚ ብሰራዊት ዝፍፅም ደብዳብ ነፈርቲ ንወተሃደራዊ ማእከላት ጥራሕ ዒላማ ዝገብርን ምዃኑ ገሊፁ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዓዲ ዳሮ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ብዝምልከት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ \"ኣብ ልዕሊ ዝተመርጹ ወተሃደራዊ ዒላማታት ስጉምቲ ከምዝወሰደ\" ገሊጹ። መራሕቲ ሓይልታት ትግራይ ግን ዒላማ እቲ መጥቃዕቲ ሰላማውያን ሰባት ምዃኖም ይኸሱ። ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ንኣዋርሕ ሃዲኡ ዝፀንሐ ኩናት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዳግማይ ምስ ተጎሃሃረ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝተፈፀመ ተገሊፁ። ክልቲኦም ወገናት ነቲ ዳርጋ ክልተ ዓመት ዝገበረ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ብዘተ ንከብቅዕ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘቕረቦ ጻውዒት ከምዝተቐበልዎ ኣፍሊጦም ነይሮም። እንተዀነ፡ ሮይተርስ ንዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ብምጥቃስ፡ እቲ ሰንበት ክጅምር ተመዲቡ ዝነበረ ዘተ ዕርቀ ሰለም፡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ከምዝተናወሐ ሓቢሩ። ሓደ ካብቶም መንጎኛታት ዝኾኑ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር'ውን ኣብቲ ዘተ ክሳተፍ ከምዘይክእል ኣፍሊጡ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crgd4j61v20o"} {"headline":"ትግራይ፡ ንተሓከምቱ መድሃኒት ዘይብሉ ሓኪም","content":"ኣብታ ንኣስታት 23 ኣዋርሕ ማእከል ኵናትን ዕጽዋን ኰይና ዘላ ትግራይ፡ ሰኣን ቀረብ መድሃኒት ሰባት ይሞቱ ኣለዉ። ክልተኦም ተጻባእቲ ሓይልታት፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንኽቃናዕ ኣብ ዝተወጠነ ዘተ ሰላም ብቐጥታ ንኽዘራረቡ ተሰማሚዖም’ዮም። ኣብ ትግራይ በዓል ሞያ ሕክምና ዝዀነ ዶ\/ር ፋሲካ፡ ጉዳይ ሰብኣዊ ቅልውላው ቍጽሪ ሓደ መዛተይ ዛዕባ ክኸውን ከም ዝግባእ ተማሕጺኑ። ኣብ መቐለ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር በዓል ሞያ መጥባሕቲ ዝዀነ ዶ\/ር ፋሲካ ዓምደስላሴ፡ እቲ ኵነታት ኣሰንበዲ ከምዝዀነ እዩ ዝገልጽ። ሕጽረት መድሃኒት ስለዘሎ ጸገማት ጥዕና ናይቶም ተሓከምቲ ይጋደድ ብምህላዉ፡ “ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ እናሞቱ ኣቕ ኢልካ እትርእዮም” በታ ሓሓሊፋ እትርከብ ናይ ሳተላይት ኢንተርነት ተጠቒሙ ብናይ ዋትስኣፕ ደወል ዝሓበረ ዶ\/ር ፋሲካ፡ ተሓከምቲ ይኵን ሓካይም ሓገዝ ኣልቦ’ዮም ኢሉ። እቲ ዶ\/ር ከም ሓደ ሰራሕተኛ 'ቲ ሆስፒታል፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኵናት ብኸመይ ንኣገልግሎት ጥዕና እቲ ክልል ከምዝሃሰዮ የብርህ። ትግራይ ዳርጋ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ካብ ምሉእ ዓለም ተገሊላ’ያ። ኣብ ሕዳር 2020 እዩ ውግእ ተጀሚሩ። ሓይልታት ትግራይ መብዛሕትኡ ክፋል ትግራይ ካብ ዝተቘጻጸሩሉ ሰነ- 2021 ጀሚሩ ድማ ትግራይ መሊሳ ናብ ዕጽዋ ተመሊሳ። ከም ሳዕቤኑ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛት ባይታ ዘቢጡ፣ ኣገልግሎት ባንክን ተሌኮሙኒኬሽንን ስለዝተቛረጸ፡ ሰባት ተደዋዊሎም ክራኸቡ ኣይከኣሉን። ኣብ ትግራይ ኵናት ዳግማይ ተወሊዑ ቀረባት ሰብኣዊ ሓገዝ ስለዝተዓናቐፈ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣስታት 5.4 ሚልዮን ህዝቢ ረድኤት መግቢ ከምዘድልዮ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ሕሙማት ዋላ’ኳ ብቐጥታ ኣብቲ ኵናት ኣይሳተፉ እምበር ግዳይ ካብ ምዃን ዓዲ ኣይወዓሉን። ገለ መድሃኒታትን ኣገደስቲ ናውቲ ሕክምናን ብመገዲ ውድብ ጥዕና ዓለምን ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀልን ኣቢሉ’ኳ ይልገስ እንተሎ፡ ናብ ትግራይ ግን ሓሓሊፉ’ዩ ዝኣቱ። ካብ ዝሓለፈ ነሓሰ ጀሚሩ ኵናት ምስተወልዐ ድማ ምሉእ ብምሉእ ተቛሪጹ። “ንተሓከምትና ዝኸውን መድሃኒታት፡ መጥባሕታዊ ሕክምና ንምክያድ ዝውዕል ናውቲ፡ ንህጻናት ዝኸውን ክታበት ከምኡ’ውን ንሕሙማት ሸኮርያ ዝወሃብ ኢንሱሊን የብልናን። ግዳያት ዝተፈላለዩ ሕማማት ኣብ ስቅያት እዮም ዝርከቡ። ሕክምና ከይገበርና ናብ ገዛኦም ክምለሱ ኢና ንገብሮም ዘለና፡” ክብል ዶ\/ር ፋሲካ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ብሕማም ካንሰር ንዝተጠቕዑ ሰባት ዝኸውን መድሃኒት ፈጺሙ ኣይነበረን። ኣገልግሎት ራድዮቴራፒ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራይ ዝወሃብ ስለዝዀነ፡ ናብኡ ክትጓዓዝ ድማ ዘይሕሰብ ብምዃኑ፡ ሕሙማት ነቲ ኣገልግሎት ክረኽቡ ኣይከኣሉን። እቲ ሓደ እዋን ሓላፊ ኮሌጅ ሕክምና ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ኰይኑ ዘገልገለ ወዲ 41 ዓመት ሓኪም፡ “ሕሙማት ካንሰር ንሞት’ዮም ተፈሪዶም” ኢሉ። “ሕሙማት ግዜ የብሎምን።” ሓካይም ካብዚ ብተወሳኺ ስቓይ ናይቶም ኵሊቶም ምስራሕ ደው ዘበላ ሕሙማት ይርእዩ ኣለው። እቲ ጸገም ዝተጋደደ ድማ ቀረብ ድያሊስስ ሓሓሊፉ ጥራይ ስለዝመጽእ’ዩ። “ናውቲ ሕክምና ድያሊስስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ዩ ንመወዳእታ ግዜ ተቐቢልና፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ከኣ ምሉእ ዕጽዋ ስለዘሎ ነቶም 25 ተሓከምትና ዝኸውን መሳርሒ ሕክምና ኣብዚ ሰሙን ንውድእ ኢና ዘለና፡” ይብል። ዶ\/ር ፋሲካ ከምዝበሎ፡ ቅድሚ ሕጂ 90 ተሓከምቲ ኵሊት ኣብ ቅድሚ ሓካይሞም ዝሞቱ ኰይኖም ዕጫ ናይቶም ዝተረፉ 25 ሕሙማት እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ከኣ የሻቕሎ። ምስ መርመራታት ብዝዛመድ ላብራቶሪ እቲ ሆስፒታል ንምርመራ ኣገዳስቲ ዝዀኑ ኬሚካላት ስለዝጐድሎ ሓካይም ናይ ተሓከምቶም ጸገም ኣለልዮም ንኽነግሩ ይጽገሙ ኣለዉ። ካብዚ ብተወሳኺ ምቍርራጽ ሓይሊ ኤሌትሪክን ነዳዲን ዘይምህላዉ እቲ ሆስፒታል ብዘይ ሓይሊ ኤሌትሪክ ንመዓልታት ክጸንሕ ይኽእል’ዩ። ዶ\/ር ፋሲካን ናይ ሞያ ብጾቱን ዘሕልፍዎ ዘለዉ ህይወት ክብደት ናይቲ ጸገም ዝገልጽ ኣይኰነን። “ብጋህዲ ዝነብሮ ዘለኹ ህይወት ስለዝዀነ ስምዒታተይ ተጸንቂቝ’ዩ” ዝበለ ዶ\/ር ፋሲካ፡ እቲ መዓልታዊ ዘጋጥሞ ዘሎ ኵነታት ይገልጽ ከምዘሎ ኣብሪሁ። “ስምዒታትና ክንሕሉ ጻዕሪ ንገብር ኣለና። እቲ ጸገም ክሳዕ ዘይተቐረፈ ክንደይ ዝኣክል ቾር ከምዝተሸክምና ክንፈልጦ ኣይንኽእልን። ኣብ ከምዚ ዓይነት መከራ ፈጺምካ ዘይምሕሳብ ተፈጥሮኣዊ መከላኸሊ ሜላ’ዩ። ብምሕሳብን ምስትንታንን ግዜና ኣይነባኽንን” ይብል እቲ ዶ\/ር። እቶም ዶካትርን ነርሳትን ናይቲ ሆስፒታል፡ ብፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተቘጽሩ ስለዝዀኑ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ መሃያ ኣይተኸፈሎምን ዘሎ። ዶ\/ር ፋሲካ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝቕመጡ መሓዙቱን ኣዝማዱን ብዝለኣኸሉ ገንዘብ ከምዝናበር’ዩ ዝገልጽ። እተን ዝለኣኻሉ ገንዘብ’ውን ናይ መለኣኣኺ ልዑል መጠን ክፍሊት ተቘሪጽወን ናብ ኢዱ ከምዝበጽሓ ተዛሪቡ። “እቲ ሆስፒታል ህይወተይ’ዩ” ዝበለ ዶ\/ር ፋሲካ፡ እዚ ዅሉ ጸገማት ተሰኪሙ ንኽሰርሕ እንታይ ከምዘለዓዕሎ የብርህ። “ሞያኻ ይጽውዓካ’ዩ። ንተሓከምትኻ ኬድካ ኣዘራሪብካን ኣማኺርካን ክትውዕል እንከለኻ፡ እቲ ዝዓበየ ነገር ንሱ’ዩ። ናተይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ኵላትና ኣብዚ ዘለና ስምዒት’ዩ” ኢሉ። ኣብቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን ክህሉ ብዛዕባ ዝኽእል ዘተ ሰላም ኣመልኪቱ ፖለቲካዊ ርእይቶ ካብ ምሃብ ስቕታ መሪጹ። “እቲ ዝርርብ ግዜ ክወስድ ይኽእል’ዩ። እንተዀነ ህይወትና፡ ህይወት ህጻናትን ሕሙማትን ግን ግዜ ዝህብ ኣይኰነን። ስለዝዀነ እቶም ተዛተይቲ ንሰብኣዊ ጉዳያት ቅድሚት ሰሪዖም ክዘራረቡ’ዩ ትምኒተይ፡” ይብል። ንሱ ኣስዒቡ፡ “ሕጊ ሰብኣውነት ክኽበር’ዩ ዘለዎ። ኣብ ዩክረይን ተኸቢሩ ስለምንታይ’ዩ ኣብ ትግራይ ክኽበር ዘይከኣለ? እቲ ምኽንያት ኣገደስቲ ህዝቢ ሰለዘይኰንና ድዩ?” ዝብል ሕቶ ኣቕሪቡ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c1vrpe63y59o"} {"headline":"ትግራይ ኣብ ትሕቲ ዕጽዋ","content":"እቲ ኣስታት ክልተ ዓመታት ዝገብር ዘሎ ኵናት ትግራይ ብሚልዮናት ንዝቑጸሩ ተጋሩ ንሓደጋ ጥምየትን ሓሳረ መከራን ዳሪግዎም ይርከብ። ቢቢሲ እታ ኣብ ትሕቲ ዕጽዋ እትርከብ ትግራይ እንታይ ከምእትመስል ሓጺር ዳህሳስ ሰሪሑ'ሎ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72zn8lemxko"} {"headline":"ሰራዊት ኢትዮጵያ 'ንመዓርፎታት ነፈርቲ ትግራይ ክቆጻጸር' ዕለማ ኣለዎ- ሰብመዚ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ \"ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን\" እታ ሃገር ንምውሓስ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከብ መዓርፎታት ነፈርቲ ንምቁጽጻር ዕላማ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ። እቲ ስጉምቲ ንክሊ ኣየር እታ ሃገር ንምቁጽጻር ዝዓለመ ምዃኑ ብምግላጽ \"ንህወሓት ዝድግፉ ተጻባእቲ ናይ ወጻኢ ኣካላት\" ክጥሕስዎ ምጽንሖም ሰብመዚ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ከሲሶም። ኣብ መወዳእታ ነሓሰ ዳግማይ ዝተወልዐ ውግእ፡ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ይቕጽል ምህላዉ ይግለጽ። ቅድሚኡ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ \"ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት\" ተኣዊጁ ምንባሩ ይዝከር። ብሰንኪ'ቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ኣብታ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ኣብ ዕጽዋ እትርከብ ክልል ዘሎ ህዝቢ ጥምየት ንዝርከቦ ማሕበራውን ቁጠባውን ጸገማት ተቓሊዑ ኣሎ። መንግስቲ፡ ናብቲ ብኲናት ዝተጸልወ ከባቢታት ሰብኣዊ ረዲኤት ንክበጽሕ ክሰርሕ ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ። እቲ መግለጺ ዋላ'ኳ ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ጻውዒታትን ምሕጽንታታትን ይግበር እንተሎ፡ ኲናት ክቕጽል ምዃኑ ዝእምት'ዩ። ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ጻዕርታት ዘተ ሰላም ከምዝድግፍ'ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣነጺሩ'ሎ። \"ዘላቒ ሰላም ከምጽእ ዝኽእል፡ ብልዝብ ዝተበጽሐ ሓፈሻዊ ፍታሕ ከምዘድሊ ንኣምን\" ኢሉ። ሕብረት ኣፍሪቃ ዝርከቦም ሓያለ ወገናት እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ኢሉ፡ ኩሎም ወገናት ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ናብ ዘተ ክኣትዉ ክጽውዑ ጸኒሖም'ዮም። ኣቦ መንበር እቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ መሃማት እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ጸንኪሩ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣመና ከም ዘሻቐሎ ገሊጹ፤ ብፍላይ ኣብዚ መወዳእታ እዋን ካብ ዘቕረቦ መጸዋዕታ ፍልይ ብዝበለ ቃና፡ \"ህጹጽ፡ ዘይቅድመኵነታዊ ምቍራጽ ተዅሲን ምጅማር ሰብኣዊ ኣገልግሎታት፡\" ክትግበርን ጸዊዑ። ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ \"ብህጹጽ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክንቅየድ ድሉዋት ኢና\" ክብሉ፡ ንጻውዒት ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዝተቐበልዎ ገሊጾም ነይሮም። ማሕበረሰብ ዓለም \" ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ጸቕጢ ክገብሩ\" ድማ ጸዊዖም። መሻርኽቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነት ኤርትራ፡ ኣብቲ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝግበር ዘሎ ኲናት ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተሰሊፋ ምህላዋ ይፍለጥ። ኣብቲ ብሰኑይ ዝወጸ መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊቱ ኣብ ከተማታት ትግራይ ውግእ ንምውጋድ ጻዕርታት ከካይድ ምዃኑ ጠቒሱ'ሎ። ኣብቶም ትሕቲ ምቁጽጻሩ ዘእተዎም ከባቢታት ከኣ ሰብኣዊ ሓገዝ ክህብ ምዃኑ ቃል ኣትዩ'ሎ። እንተኾነ ግን፡ ከም ሽረ ዝበላ ከተማታት ትግራይ ይድብደባ ከምዘለዋን ሲቪላውያን ሰባት ይቕተሉ ምህላዎምን ብዙሓት ዓለምለኻውያን ወገናት ዘለዎም ሻቕሎት ይገልጹ ኣለዉ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cn0v4y9dxdxo"} {"headline":"ከተማ ሽረ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ኣትያ","content":"ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱ ዝኾኑ ሓይልታትን ናብ ከተማ ሽረ ከምዝኣተዉ ሓይልታት ትግራይ ኣረጋጊጾም። ብሰኑይ ምሸት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን \"ብኩሉ ከባቢታት ዝጀመርዎ ቅሉዕ ውራር ኣጠናኺሮም ዝቐፀሉ እንትኾኑ ናብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ኣትዮም ኣለዉ\" ክብሉ ኣፍሊጦም። ሰራዊት ትግራይ'ውን ሓያል ናይ ሞትን ሕየትን ርብርብ ይቕፅል ኣሎ ድሕሪ ምባል ኩሉ ትግራዋይ ብፅንዓት ክምክት ይግባእ ይብል እቲ ኣብ ፈይስቡክ ዝወጸ መግለጺ። እቶም ኣብቲ ክልል ናይ ክተት መጸዋዕታ ዝኣወጁ መራሕቲ ትግራይ፡ ብሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝግበር ደብዳባት ሲቪላውያን ሰባት ይቐትል ከምዘሎ'ውን ገሊጾም ኣለዉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰኑይ ንጉሆ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ \"ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን\" እታ ሃገር ንምውሓስ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከብ መዓርፎታት ነፈርቲ ንምቁጽጻር ዕላማ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ ነይሩ። እንተኾነ፡ ሰራዊቱ ኣብ ከተማታት ትግራይ ውግእ ንምውጋድ ጻዕርታት ከካይድ ምዃኑ ጠቒሱ'ሎ። ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ጻዕርታት ዘተ ሰላም ዘለዎ ቅሩብነት'ውን ገሊጹ። ሕብረት ኣፍሪቃ ዝርከቦም ሓያለ ወገናት እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ኢሉ፡ ኩሎም ወገናት ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ናብ ዘተ ክኣትዉ ክጽውዑ ጸዊዖም ኣለዉ። እቲ ኩነታት \"ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ይኸውን ኣሎ\" ዝበለ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዩ ጉተረዝ ብወገኑ፡ \"ሓይልታት ኤርትራ ካብቲ ኲናት ብህጹጽ ክወጹን ካብ ኢትዮጵያ ክስሕቡን ዘጠቓልል ተጻብኦታት ሕጂ ደው ክብል ኣለዎ\" ኢሉ። ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበርን፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ዝኾነ ገደብ ናብ ትግራይ ክኣቱን'ውን እቲ ብማእከላይ ኮማንድ ሓይልታት ትግራይ ዝወጸ መግለጺ ጸዊዑ'ሎ። \"ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና እናዝበፅሐ ዘሎ ኩለመዳያዊ በደልን ጥሕሰት ዓለምለኸ ሕግታትን ብዝግባእ ተረዲኡ ህፁፅ ፍታሕ ክህብን ግቡኡ ክዋፃእን ይግባእ። \"ስለዝኾነ ድማ ተፃብኦታት ብህፁፅ ጠጠው ክብሉን ሰብኣዊ ሓገዝ በዘይ ዓንቀፍቀፍ ናብ ትግራይ ንክኣቱን ማሕበረሰብ ዓለም ሓላፍነቱ ብህፁፅ ንክዋፃእ ማእኸላይ ኮማንድ ትግራይ ይፅውዕ።'' እቲ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ቀጺሉ ዘሎ ኲናት ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ሰፊሕ ምፍንቓል ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ይርከብ። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣብቲ ኲናት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ትጽቢት ተነቢርሉ ዝነበረ ዘተ ሰላም ከምዝተዓናቐፈ ይዝከር።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cy9vkkgx0jdo"} {"headline":"ኲናት ትግራይ 'ክዛዘም እዩ': ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ","content":"ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሰሜናዊ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት \"ከብቅዕን ሰላም ክሰፍንን እዩ\" ኢሉ። ትማሊ ሓሙስ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተሃነፀ ማእኸል ልምዓት ተውህቦ ኣብ ዘመረቐሉ እዋን እዩ ነዚ ገሊጹ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኢትዮጵያውያን ብብሄርን ሃይማኖትን ከይተኸፋፈሉ ንብልጽግና እታ ሃገር ብሓባር ክሰርሑ ኣተሓሳሲቡ። \"ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ክዛዘም’ዩ፡ ሰላም ክሰፍን'ዩ። ንዘልኣለም ኣይንዋጋእን። ኣብ ሓጺር ግዜ ተጋሩ ኣሕዋትና ክነልምዕን ንሰላምን ልምዓትን ምስ ተጋሩ የሕዋትና ደው ክንብልን ኢና ዝብል እምነት ኣለኒ\" ኢሉ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር። ይኹን እምበር፡ እቲ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ዝበልዐ፣ ሚልዮናት ድማ ግዳያት ጥሜትን ምምዝባልን ዝገበረ ኲናት ብኸመይ እዩ ፍጻመ ክረክብ ዝብል ግን ንጹር ኣይኮነን። መደረ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ እቲ ኲናት ኣብ ሓጺር ግዜ ብዓወት ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝዛዘም ዝጥቁም እዩ ኢሎም ዝተረድኡ ገለ ሰባት ኣለዉ። ኣይፋልን፡ ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ዝተሓሰበ ዘተ ሰላም ዘለዎ ተስፋ ዝገልጽ እዩ ዝብሉ ሰባት’ውን ኣይጠፍኡን። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ሓሙስ እቲ ዝተፈላለዩ ኣስካሕካሕቲ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ዝተፈጸመሉ ኲናት ብሰላም ንምፍታሕ ን24 ጥቅምቲ 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝካየድ ዘተ ሰላም ንምስታፍ ብሕብረት ኣፍሪካ ዝቐረበሉ ዕድመ ከምዝተቐበለ ኣፍሊጡ’ሎ። ኣምባሳደር ሬድዋን ትማሊ 20 ጥቅምቲ ኣብ ትዊተር ከም ዘስፈሮ፡ ብመሰረት ካብ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ዝረኸብዎ ሓበሬታ፡ እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘተ ሰላም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከጅምር እዩ። ኣምባሳደር ሬድዋን፡ “ኣብቲ ዘተ ሰላም ንምስታፍ ዘለና ቈራጽነት ደጊምና ነረጋግጽ\" ኢሉ። እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዳግማይ ኲናት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ፡ ሓይልታት ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ምስ ሓይልታት ትግራይ ሓያል ኲናት ኣብ ዘካይድሉ ዘሎ እዋን’ዩ። ኣብ ቀረባ መዓልቲታት፡ ብሓይልታት ኤርትራን ክልል ኣምሓራን ዝድገፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ምቁጽጻሩ ይዝከር። ሓይልታት ትግራይ፡ ሰኑይ 17 ጥቅምቲ 2022 ምሸት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን \"ብኩሉ ከባቢታት ዝጀመርዎ ቅሉዕ ውራር ኣጠናኺሮም ዝቐፀሉ እንትኾኑ ናብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ኣትዮም ኣለዉ\" ክብሉ ኣረጋጊጾም ነይሮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ምትሓዝ ሽረ ብመዕርፎ ነፈርቲ እታ ከተማ ኣቢሉ ኣብ ዝቈጻጸሮ ዘሎ ከባቢታት ሰብኣዊ ትካላት ኣፍደገ ከቕርብ’ኳ ቃል እንተኣተወ፡ ኣብታ ክልል ኣገልግሎት መብራህቲ፣ ባንክን መራኸቢታትን ሕጂ’ውን ተዓጽዩ ይርከብ። ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣውሮጳ፣ ውድብ ጥዕና ዓለምን ኣሜሪካን፡ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ'ቲ እናጸንከረ ዝኸይድዘሎ ኲናት፡ ሰለማውያን ሰባት ንመጥቃዕቲ ዘቃልዕ ደብዳባትን ብሃበ ተረኽበ መቕተልትን ይካየድ ምህላዉ ምግላፆም ይፍለጥ። ብፍላይ፡ እታ ብዙሓት ተመዛበልቲ ኣዕቍባ ዘላ ከተማ ሽረ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ምእታዋ ከቢድ ሻቕሎት ከምዝፈጠረ ተገሊጹ ነይሩ። ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዘካየድዎም ደብዳባት ሓያለ ሰባት ከምዝሞቱ ነበርቲን ሰብመዚን ትግራይ ምሕባሮም ይዝከር። ብተመሳሳሊ ሓይልታት ትግራይ ትማሊ ሓሙስ፡ ኣብታ ብሰራዊት ፌደራል ዝተታሕዘት ከተማ ሽረ፡ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን 7 መናእሰይ ከምዝቐተሉ ከሲሶም ኣለዉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 18 ጥቅምቲ 2022 ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ከተማ ሽረ ሓዊሱ፡ ኣላማጣን ኮረምን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሰራዊት ፈደራል ከምዝኣተዋ ሓቢሩ’ኳ እንተነበረ ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ትግራይ ዝኾነ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት ግን ከተማ ኮረም፡ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓይልታት ትግራይ ከም ትርከብ ንቢቢሲ ምግላጹ ይዝከር። ኣብዚ እዋን ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ ሽረ ናብ ምብራቕ ገጹ ንወገን ኣኽሱም፡ ዓድዋን ዓዲግራትን ይግስግሱ ከምዘለዉ ኣብቲ ዓውደ ውግእ ዝርከቡ ምንጭታት ንቢቢሲ ይሕብሩ። እዚ ድማ ዳርጋ ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሽረ ነተን ካልኦት ከተማታትን ሒዙ ንመቐለ ዝገስገሰሉ ኣገባብ ይመስል። ነዚ ስዒቡ ኣብ ቀጻሊ እንታይ ከም ዝፍጠር ዓቢይ ስግኣት ኣሎ። ነበርቲ ከተማታት ትግራይ፡ ብፍላይ ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ክመጽእ ዝኽእል ሕነ ምፍዳይ የሻቕሎም ከምዘሎ ይገልጹ። ድሮ’ውን ኣብ ሽረ ምዝማት ከምዘሎን ልክዕ ከምቲ ኣብ ዝቐደመ እዋን ዝተራእየ፡ ናብ ኤርትራ ገጹ ይግዕዝ ኣሎ ዝብል ክስታት ይስማዕ ኣሎ። እቲ ንኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ንስለ ሰብኣዊ ረዲኤት ብዝብል ተገይሩ ዝነበረ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ኣብ ነሓሰ ድሕሪ ምፍራሱ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትግራይ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ክፍጸም ከምዝጸንሐ’ውን ይፍለጥ። ኣብዚ ዓመት እዚ፡ ጕጅለ መጽናዕቲ ዩኒቨርሲቲ ቤልጅም፡ እቲ ውግእ ኣብ ሕዳር 2020 ካብ ዝጅምር ከሳብ ሕጂ ልዕሊ 250,000 ሰላማውያን ነበርቲ ትግራይ ብጥሜትን ምስ ጥሜትን ዓጸቦን ብዝተሓሓዝ ጠንቅታትን ከም ዝሞቱ ግምታ ኣስፊሩ ኣሎ። ምጽንካር እቲ ኲናት ኣመና ዘተሓሳሰቦም ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ዓለም፡ ተጻብኦታት ደው ክብል ተደጋጋሚ ጻውዒት ኣብ ምቕራብ ይርከቡ። ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብ 15 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣቦ መንበር እቲ ሕብረት ሙሳ ፋኪ መሃማት እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ጸንኪሩ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣመና ከም ዘሻቐሎ ገሊጹ’ሎ። ብፍላይ ኣብዚ መወዳእታ እዋን ካብ ዘቕረቦ መጸዋዕታ ፍልይ ብዝበለ ቃና፡ \"ህጹጽ፡ ዘይቅድመኵነታዊ ምቍራጽ ተዅሲን ምጅማር ሰብኣዊ ኣገልግሎታትን\" ክትግበር ጸዊዑ። ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብወገኑ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ \"ኵነታት ኢትዮጵያ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ይኸውን ኣሎ\" ብምባል እቲ ኲናት ብቕልጡፍ ደው ክብልን \"ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ ክወጽእን\" ከምዝጸውዐ ይዝከር። ሕብረት ኣውሮጳ ተመሳሳሊ ጻውዒት ዘቕረበ ኰይኑ፡ ሓይልታት ትግራይ እውን ካብ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ክቝጠብ ኣተሓሳሲቡ። እቲ ኣብ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ካልኣይ ዓመቱ ተቓሪቡ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ፡ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ወሲዱ፡ ንሚልዮናት ግዳያት ጥሜት ምምዝባልን ዝተፈላለዩ ኣስካሕካሕቲ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ኣቃሊዑ'ኳ እንተዀነ፡ ዛጊት ሰላማዊ መዕለቢ ኣይተረኽቦን።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw0q199z7d7o"} {"headline":"ምስ ህወሓት ዘተ ክቕፅል እዩ'-ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ","content":"ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ እቲ ምስ ህወሓት ዝካየድ ዘተ ክቕፅል ምዃኑ ኣፍሊጣ። ንሳ፡ ሎሚ ሰኑይ 10 ጥቅምቲ 2022፡ ዘመነ ስራሕ 2015 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ባይቶታት ተወከልቲ ህዝብን ፌደረሽንን ብወግዒ ምኽፋቱ ኣብ ዝኣወጀትሉ እዋን’ያ ነቲ መግለጺ ሂባ። እቲ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ትማሊ ሰንበት ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ዝርርብ ሰላም ብሰንኪ ጸገማት ሎጀስቲክስ ኣብ ዝተመደበሉ መዓልቲ ክጅምር ከምዘይክኣለ ይግለጽ። ብዘይካ'ዚ ካብቶም ኣሸማገልቲ ሓደ ዝዀነ ኡሁሩ ኬንያታ፡ እቲ ዘተ ክጅምር ዝተወጠነሉ መዓልቲ ምስቲ ኣቐዲሙ ዝነበሮ ካልእ መደብ ስለ ዝተደረበ ከም ዘይሳተፍ ዝገልጽ ደብዳበ ናብቲ ኣቦ መንበር ጽሒፉ ነይሩ። ነቲ መስርሕ ዘተ ዝምልከት ንጹር ዝርዝር ሓበሬታ ክወሃቦ'ውን ኬንያታ ጠሊቡ'ሎ። እቲ ኣስታት ክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ዘምጽኦ ለውጢ የለን። ንኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት' ተኣዊጁ'ኳ እንተነበረ፡ ካብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ውግእ ዳግም ብምውልዑ እቲ ኵናት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2014 (ኣ.ግ) ዓበይቲ ኣሉታውን ኣወንታውን ፍፃመታት ከምዘአንገደት ዘዘኻኸረት እታ ፕረዚደንት “ዓወታት ከምዝነበሩና ዓበይቲ ብድሆታት እውን ኣሕሊፍና ኢና። ንህዝብና ናብ ሓዘንን ጭንቅን ክኣትው ዝገበሩ ፀገማት ነይሮም’ዮም” ኢላ። ብፍላይ ጎንፅታትን ምፍንቓል ዜጋታትን ካብ ሞንጎ እቶም፡ እታ ሃገር ዘይተሳገረቶም ብድሆታት ከምዝኾኑ ንኣባላት ክልቲኦም ባይቶታት ኣብ ዘስምዓቶ መደረ ሓቢራ። “ካብዚኦም እቲ ሓደ ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያን ካልኦት ከባብታትን ዝተፈጸሙ ጃምላዊ ጨፍጫፋት ብኣሉታ ዝዝከሩ እዮም። እዚኦም ድማ ንልቢ መብዛሕትና ዝሰበሩ እዮም” ኢላ። ፕረዚደንት ሳህለወርቅ “ዋጋ ሰላም ዝተገንዘበ መንግስቲ ጎንፅታት ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንኸብቅዑ ምስ ዝኾነ ይኹን ወገን ብዘይቅድመ ኩነት ንምድርዳርን ኣፈላላያት ብሰላምን ብዝርርብን ንምፍታሕን ሓሳብ ከምዘቕረበ ዝዝከር’ዩ”። “ህወሓት ምእንተ ህዝቢ ትግራይ ክብል ነቲ ፃውዒት ሰላም ብምቕባል ናብ ልዝብ ንኽመፅእ ብተደጋጋሚ ፃውዒት ቀሪቡሉ እዩ” ክትብል ገሊጻ። መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰላም ድልው ከምዝኾነ ዝገልፀሎም ኣጋጣምታት ዓቕምታቱ ንምውዳብን ምድላዋት ንምግባርን ከምዝኾነ ብምሕባር፡ “ድልየት ሰላም የብሉን” ብምባል ብተደጋጋሚ ክኸስዎ ይስምዑ። እታ ፕረዚደንት ኣብ ናይ ሎመዓልቲ መኽፈቲ መደረኣ፡ መንግስቲ ንማዕፆታት ሰላም ፈጺሙ ዕፅው ከምዘይገብር ከምዘነፀረ ብምሕባር፡ “ዝኾነ ዓይነት ኣፈላላያት ብሰላም ምፍታሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምእማን ብዘይ ቅድመ-ኩነት ንምዝርራብ ሕዚ’ውን ደጊሙ ፃውዒቱ የቕርብ” ክትብል ኣፍሊጣ'ላ። “እዚ ዓመት እቲ ንሃገርና ዝፈተና ኲናት ዘብቅዐሉ ክኸውን ምግባር ናይ ኩላህና ፃዕሪ ዝሓትት እዩ። ብወገን ሕብረት ኣፍሪቃ ክግበር ዝፀንሐ ፃዕሪ ሰላም ፅቡቕ እዩ፣ ሕዚ’ውን እቲ ሕብረት ብፍሉይ ልኡኽ [ኦባሳንጆ] ኣቢሉ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪታት ብምቕፃል ንሰላም ዘለዎ እጃም ከምዝፍፅም እምነት ኣለኒ” ክትብል'ውን ፃውዒት ኣቕሪባ። “ንሃገራዊ ረብሓን ሓድነትን ኣብ ግምት ብዘእተወ መንገዲ ምስ ህወሓት ዝግበር ልዝብ ክቕፅል እዩ። ግን ድማ ነዚ ረጊፅካ ዝፍፀም ስጉምቲ እንተሃልዩ ኣድላዩ መዕገሲ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ክስመረሉ ይግባእ” ብምባል'ውን ኣጠንቂቓ። እታ ሃገር ዓለማዊ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ብዘሕደሮ ፅልዋን ብኲናትን እንተተፀለወት’ኳ ብሓፈሻ ኣብ መዳይ ቁጠባን ፖለቲካን ለውጥታት ተመዝግብ ምህላዋ'ያ እታ ፕረዚደንት ትዛረብ። ሕብረት ኣፍሪቃ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምርኻብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጻውዒት ከቕርብ እንከሎ፡ ንብዙሓት ሃንደበታዊ ነይሩ። እቲ ሕብረት ዝዘርግሖ ደብዳበ፡ እቲ ዘተ ኣብ ቀጻሊ ኣገደስቲ ዝዀኑ ጉዳያት ትኹረት ከም ዝግበረሉ የመልክት። እዚ ድማ፡ ብፍሉይ ልኡኽ ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ ከም ዝምራሕን፡ ኡሁሩ ኬንያታን ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበርን ከም ዝሳተፉን ይሕብር። መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን፡ ቅድሚ ሕጂ'ውን ምስዚ ዝቃዶ መርገጺ ከም ዘይነበሮም ብምግላጽ ነቲ ጻውዒት ከም ዝተቐበሉዎ ኣፍሊጦም ነይሮም። እቲ ዘተ ንክጅመር ሓደ መዓልቲ ምስተረፎ ግን፡ ብዓርቢ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ማዕከን ዜና ሮይተርስ፡ ንዲፕሎማስያዊ ምንጪታት ጠቒሱ፡ እቲ ልዝብ ብሎጅስቲካዊ ምኽንያታት ናብ ዘይተነጸረ ጊዜ ከም ዝተመሓላለፈ ሓቢሩ። ነዚ ስዒቡ፡ ካብቶም ኣሸማገልቲ ሓደ ዝዀነ ኡሁሩ ኬንያታ፡ እቲ ዘተ ክጅምር ዝተወጠነሉ መዓልቲ ምስቲ ኣቐዲሙ ዝነበሮ ካልእ መደብ ስለ ዝተደረበ ከም ዘይሳተፍ ዝገልጽ ደብዳበ ናብቲ ኣቦ መንበር ጽሒፉ። እዚ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ካልእ ግዜ ኣብቲ ዘተ ንክሳተፍ፡ ኣወዳድባን ኣፈጻጽማን እቲ ድርድር፣ መምርሒ እቶም ዕድመ ዝተገብረሎም ኣሸማገልቲ ዝምልከት ዝርዝር መብርሂ ክወሃቦ ሓቲቱ። እቲ ከይተኻየደ ዝተረፈ ዝርርብ ቀፃሊ መዓዝ ክካየድ ከም ዝኽእል ኣይተነጸረን።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cqe72rj2rjeo"} {"headline":"ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን 'ሰፊሕ መጥቃዕቲ' ከምዝኸፈተሎም መራሕቲ ትግራይ ከሲሶም","content":"ሰራዊት ኤርትራ ብዝተፈላለዩ ግንባራት ሓድሽ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈተ ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ትግራይ ከሲሱ። ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኣብ ዶባት ኤርትራ \"ከቢድ ውግእ\" ይካየድ ከምዘሎ ኣመልኪቱ። \"ሓይልታት ኤርትራ፡ ሎሚ ብኹሉ ግንባራት መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ፈንዮም ኣለዉ- ካብ ተከዘ ክሳብ ኢሮብ\" ኢሉ። ኣብ ግንባራት ዛላንበሳ፣ ጸሮና፣ ራማ፣ ማይ ኲሕሊ፣ ከምኡ'ውን ኣብ ዝባን ገደናን ዓዲ-ኣውዓላን \"ከቢድ ውግእ\" ይካየድ ከምዘሎ'ውን ኣቶ ጌታቸው ገሊጹ'ሎ። ብወገን ኤርትራ ኾነ ኢትዮጵያ ብዛዕባ'ቲ ክሲ \"መጠነ ሰፊሕ\" መጥቃዕቲ ዝተባህለ የለን። ካብ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራን ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያን ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ድማ ኣይሰመረን። ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ማይክ ሃመር ብወገኑ፡ ሓድሽ ምትእትታው ሰራዊት ኤርትራ ከምዝፈልጥ ተዛሪቡ። \"እወ፤ ምንቅስቓስ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ከባቢ ዶባት ንዕዘብ ኣለና ኢና። ኣዝዮም ዘሻቕሉ እዮም፤ ንኹንኖ ድማ። ኩሎም ናይ ደገ ሓይልታት ግዝኣታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ከኽብሩን ነቲ ጎንጺ ካብ ምግዳድ ክቑጠቡን ኣለዎም\" ኢሉ። እንተዀነ፡ ኣመሪካ ክትወስዶ እትኽእል ስጉምቲ በዝምልከት፡ ክዛረብ ከምዘይደሊ ገሊጹ። \"ብዛዕባ ክንወስዶ እንኽእል ስጉምቲ ሕዚ ክዛረብ ኣይደልን። ብሓቂ ግን እዚ ጎንጺ ኢትዮጵያውያን፣ ተጋሩ፣ ዓፋረቶትን ኣምሓሩን ኣዐርዮም ዝተሳቐዩሉ እዩ። ምትእትታው ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ነቶም ጸገማት ከተሓላልኾምን ነቲ ዘሕዝን ኩነታት ከጋድዶን ጥራሕ እዩ ዝኽእል”። ንትግራይ ዝግበር ርካባት ብጽኑዕ ስለዘተዓጽወ፡ ኵነታት’ዚ ኲናት ብነጻ ወገን ንምርግጋጽ ኣይተኻእለን። ክልተ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ንሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብ ከባቢ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከቢድ ውግእ ይካየድ ከምዘሎን፤ እንተዀነ ወተሃደራት ኤርትራ ንትግራይ ብዛዕባ ምስጋሮም ክረጋግጹ ኣይከኣሉን። ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዕድሚኦም ትሕቲ 55 ንዝኰኑ ኣባላት \"ዕቑር ሰራዊት\" ኤርትራ ናብ ግንባራት ክኸቱ ተጸዊዖም ነይሮም'ዮም። ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራን ካልኦት ዝተፈላለዩ ቦታትን ሰፊሕ ግፋ ከምዘካየዱ'ውን ጸብጻባት ሓቢሮም ነይሮም። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ግን እቲ ጸብጻባት ዝተጋነነ'ዩ ብምባል \"ሒደት\" ክብል ዝገለጾም ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ከምዝኸተቱ ተዛሪቡ። ሰሜናዊ እዚ፣ ገለ ኽፋል እዚ ሰሜን ምዕራብ፡ ከምኡ'ውን ሰለስተ ክፍለሰራዊት ኮማንዶ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ጎኒ ሓይልታት ኤርትራ ተሰሊፎም ከምዘለዉ'ውን ጌታቸው ከሲሱ'ሎ። እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ፡ ንኣስታት ክልተ ዓመተ ዝቐጸለ ዀይኑ፡ ሰፊሕ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዘሰዐበ እሙናት ጸብጻባት ይሕብሩ። ሰራዊት ኤርትራ፡ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ደጊፎም ኣብቲ መፈለምታ እቲ ኲናት ከምዝተሳተፉ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ብገለ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይኽሰሱ። ኤርትራ ነቶም ክስታት ትነጽጎም። ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣውሮጳን ኣመሪካን ምትእትታው ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተቓወሙ ዀይኖም፡ ካብ ዝተቖጻጸርዎ ከባቢ ለቒቖም ክወጽኡ ብቐጻሊ ክሓቱ ጸኒሖም እዮም። ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ናይ \"ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት\" ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ውግእ ዳግማይ ምውልዑ ይዝከር። እቲ ዳግማይ ኲናት መን ጀሚርዎ ንዝብል፡ ክልቲኦም ነንሕድሕዶም እዮም ዝካሰሱ። ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ተኣዊጁ ዝበልዎ ሓድሽ ዝተዋደደ መጥቃዕቲታት ከምዘፍሸሉ ብምግላጽ፡ ኣብ ከም ሸራሮ ዝኣመሰሉ ገለ ቦታታት ምንስሕሓቦም ገሊጾም ነይሮም። ትግራይ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኪሎሜትሮ ምስ ኤርትራ ትዳወብ። ጸሮና ኣብ ከባቢ ዶብ ክልቲአን ሃገራት፡ ኣብ መንጎ ዛላንበሳን መስመር ራማን-ክሳድ ዒቃን ዝርከብ ቦታ'ዩ። እቲ ብወተሃደራዊ ዓይኒ ስትራተጂካዊ ምዃኑ ዝንገረሉ ቦታ፡ ኣብቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዝቐጸለ ዶባዊ ኲናት ክልቲኤን ሃገራት ደማዊ ውግኣት ዝተኻየደሉ'ዩ። እታ ኣብቲ ከባቢ ትርከብ ሓውሲ-ከተማ ጾሮና፡ ኣብቲ ኲናት ከቢድ ዕንወት ወሪዱዋ ምንባሩ ይዝከር። ኣብ ፈለማ ገጽ ኲናት ትግራይ'ውን ውግኣት ተኻይድሉ ምንባሩ ይግለጽ። ግንባር ዛላንበሳ'ውን፡ እቲ ካብ መቐለ ንኣስመራ ዝኣቱ ቀንዲ መስመር ዝርከበሉ እዩ። ኣብቲ መስመር ተደኲና እትርከብ ከተማ ዛላንበሳ'ውን ብተመሳሳሊ ኣብቲ ዶባዊ ኲናት ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ዓንያ ዝነበረት ኮይና፡ ከምብሓድሽ ዝተሃንጸት'ያ። ኣብ ፈለማ ወርሒ ሓምለ 2018 ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍራሞም ድማ፡ ድሕሪ 20 ናይ ተፋጠጥ ዓመታት፡ ዶብ ዝተኸፈተላን ክልቲኡ ህዝብታት ዝተሰዓዓሙላን እያ። ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድን፡ መራሒ ክልል ትግራይ ዶ\/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤልን ኣብቲ ናይ ምኽፋት ጽንብል ምስታፎም ድማ ዓቢ ናይ ሰላም ተስፋ ፈጢሩ ነይሩ። ነዊሕ ከይጸንሐ መስመር ዛላንበሳን ካልኦት ዝተኸፍቱ መስመራትን ብዘይ ወግዓዊ መንገዲ ምዕጻዎም ይዝከር። እዚ ከባቢታት እዚ'ውን፡ ከም ቀንዲ መስመር ዝሓልፈሉ መጠን ኣብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ኲናት ረጽሚ ዝረኣየ እዩ። እታ ካብቲ ድልድል ብዙሕ ዘይትርሕቕ ከተማ ራማ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዘለዋ ከተማታት ትግራይ ሓንቲ እያ። ድልድል መረብ'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ክረምቲ 2018 ብልጭ ኢሉ ዝቐሃመ ባና ሰላም ዝተራእየሉ ከባቢ'ዩ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crg2l8j240po"} {"headline":"ኣብ ዓዲ-ዳዕሮ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ብዙሓት ተመዛበልቲ ከምዝሞቱ ተገሊጹ","content":"ኣብ ትግራይ፡ ዓዲ-ዳዕሮ ንኻልኣይ ግዜ ብሰሉስ 25 መስከረም 2015 ዓ.ም [ግእዝ] ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኣየር፡ 65 ሰለማውያን ሰባት ከምዝሞቱ ኣብ ባይታ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ንቢቢሲ ገሊፆም። ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ሓይልታት ትግራይ፡ ኣቶ ጌታቸው ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ \"ቈልዑን ዓበይትን ዝርከብዎም\" ሓያለ ሰባት ኣብቲ ደብዳብ ተቐቲሎም ኢሉ። እዚ ሰሉስ ብድሮን ከምዝተኻየደ ዝተገልጸ ደብዳብ ብሓይሊታት ኣየር ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምዝተፈጸመ'ዩ ኣቶ ጌታቸው ከሲሱ ዘሎ። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዅን ኤርትራ ብዛዕባ'ዚ መጥቃዕቲ ዝተዋህበ ምላሽ የለን። ብሰንኪ ኣብታ ክልል ዘሎ ጸገማት መራኸቢታት ቢቢሲ ነቲ ክሲ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን። እቶም ግዳያት ካብ ምዕራብ ትግራይን ተፈናቒሎም ኣብ ኣድያቦ ተዓቚቦም ዝነበሩ ምዃኖም ጌታቸው ረዳ ጠቒሱ። እቲ ንቢቢሲ ቃሉ ዝሃበ ሰራሕተኛ ሰብኣዊ ረድኤት፡ እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ካብ ዓዲ ዳዕሮ ናብ ኣንፈት ሽረ እንዳስላሰ 5 ኪሎ ሜትሮ ርሒቝ ኣብ ዝርከብ መዕቈቢ ስደተኛታት ከምዝተፈጸመ ሓቢሩ። ንሱ፡ ኣብዚ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 65 ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 70 ሰባት ከምዝቘሰሉን ወሲኹ ገሊጹ። “ዝተጐድኡ ሰባት ናብ ሆስፒታል ሽረ ተወሲዶም ኣለዉ። ሕጽረት መድሃኒትን ሕክምናን ስለዘሎ፡ ቍጽሪ ዝሞቱ ሰባት ክውስኽ ይኽእል'ዩ\" ኢሉ። ካብቶም በቲ ደብዳብ ነፈርቲ ዝሞቱ፡ ብዙሓት ህጻናትን ዓበይትን ከምዝርከብዎም፡ እቲ ሰራሕተኛ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንቢቢሲ ኣረዲኡ። ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንወተሃደራዊ መኽዘናት ሓይልታት ትግራይ ዒላማ ዝገበረ ደብዳባት ኣብታ ከተማ ኣካይዱ ምንባሩ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጾም ነይሮም። ሰብመዚ ትግራይ ግን ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ነቲ ደብዳብ ከምዝፈጸሞ'ዮም ገሊጾም ነይሮም። ኣቐዲሙ'ውን ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ጉድኣት ዘውረደ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ድሮን ተኻይዱ ምንባሩ ነበርትን ሰብ ሞያ ሕክምናን ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም። ኣብ ዝተፈላለዩ ካልኦት ከባቢታት ደብዳባት ከምዝተኻየዱ'ውን ሰብመዚ ትግራይ ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም። እቲ ንኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ተኣዊጁ ዝነበረ ሰብኣዊ ምቍራጽ ተጻብኦታት በቲ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ዳግማይ ዝተወልዐ ውግእ ከምዝፈረሰ ይፍለጥ። ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ድማ ከቢድ ውግኣት ክካየድ ምጽንሑን፡ ብሰንኩ ኣማኢት ኣሽሓት ነበርቲ እቲ ከባቢ ከምዝተመዛበሉን ይግለጽ። ግዳይ እቲ መጥቃዕቲ ዝዀኑ ተመዛበልቲ፡ ካብቲ ኲናት ይካየደሉ ከምዘሎ ዝዝረበሉ ዓዲ ሃገራይን ከባቢኡን ሃዲሞም ዝመጽኡ፣ ካብ ኣስገደ፡ ጽምብላ፡ ደደቢትን ጸሊሞን ዝተመዛበሉ ካልኦት'ውን ከም ዝርከብዎም ሓቢሩ። ብሓፈሻ፡ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ፡ ኣስታት 300 ሽሕ ሰባት ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ኣብ ባይታ ካብ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ረድኤት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት። ቢቢሲ፡ ዳግማይ ምውላዕ ናይቲ ኲናት ዝእምት፡ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ፡ ከባቢ ከተማ ሸራሮን ኣብ ከባቢ ዶባት ኤርትራን ዓቢ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ከምዝነበረ ዘርኢ ብናይ ሳተላይት ስእልታት ዝተሰነየ ጸብጻብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምውጽኡ ይዝከር። ዓዲ-ዳዕሮ ካብ ዶባት ኤርትራ ናብ ሽረ ኣብ ዝወስድ ዓቢ ጽርግያ፡ እትርከብ ኰይና፡ ካብቲ ዶብ 89 ኪሎሜትሮ ርሒቓ እትርከብ እያ። ካብታ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ዝዓበየት ከተማ ሽረ እንዳስለሰ ድማ፡ 25 ኪሎሜትሮ ርሒቓ ትርከብ። ከምኡ ድማ፡ ታሪኻዊ ከተማ ዓዲ-ነብሪኢድን ከተማ ሽረን ዝራኸቡላ እያ። ካብ ዓዲ-ዳዕሮ ናብ ዶባት ገጽ ኣብ ዝርከብ ታሕታይ ኣድያቦ ከባቢ፡ ጽዑቕ ውግእ ይካየድ ከምዘሎ ዘይተረጋገጹ ጸብጻበት ይሕብሩ። ኣብታ ናይ ተደጋጋሚ ደብዳብ ነፈርቲ ግዳይ ዝዀነት ከተማ፡ መንበሪ ገዛውትን፡ ኣብያተ ትምህርትን ከምዝዓነዋ ዘርእዩ ምስልታት ክወጽኡ ቀንዮም እዮም። እቲ ንቢቢሲ ቃሉ ዝሃበ ሰራሕተኛ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብታ ከተማ ዝዀነ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ከምዘየለ እዩ ይዛረብ። ዓዲ-ዳዕሮ እንታይ ፍሉይ ወተሃደራዊ ኣገዳስነትን ዒላማታትን ከምዘለዋ'ኳ ብንጹር እንተዘይተፈልጠ፡ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ግን ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንመኽዘናት ኣጽዋር ሓይልታት ትግራይ ከምዘዕነወ'ዮም ዝምጕቱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብ30 መስከረም ኣብ ትዊተር ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ፡ ትካላት ጥዕና፡ ኣብያተ-ትምህርትን፡ ከምኡ'ውን ትካላት ረዲኤት ሕቡራት ሃገራትን ካልኦትን ኣጽዋርን መራሕትን ይሓብኡ ከምዘለዉ ከሲሱ ነይሩ። ሕቡራት ሃገራት ይዅን ካልኦት ትካላት ረዲኤት ብዛዕባ'ቲ ክሲ ዝሃብዎ መግለጺ የለን። እታ ከተማ ሓንቲ ካብተን ሓደስቲ ተፈናቐልቲ ናይቲ ዞባ ተዓቚበምለን ዘለዋ ምዃና ይግለጽ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv21gqdjz0yo"} {"headline":"ኣብ መቐለ ብዝተፈጸመ ራብዓይ ዙር መጥቃዕቲ ድሮን፡ ሓደ ሰብ ሞይቱ፡ ብዙሐት ቆሲሎም","content":"ናብ ሎሚ ዘጽብሕ ሰዓት 11፡00 [ግእዝ] ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዘተኻየደ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ሓደ ሰብ ህይወቱ እንትስእን ካልኦት ድማ ኣካላዊ መጉዳእቲ ከምዝበጽሖም ነበርትን ሰብ ሞያ ሕክምናን ንቢቢሲ ገሊጾም። ዳይሬክተር፡ ሆስፒታል ዓይደር መቐለ፡ ዶክተር ክብሮም ገብረስላሰ ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ጥቓ ደስታ ሆቴል ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይቲ'ዩ ተፈጺሙ። ካብቲ ከባቢ ናብ ስርሑ ዝወፍር ዝነበረ ሰላማዊ ሰብ ሓደጋ በጺሕዎ፡ ሬስኡ  ናብ ሆስፒታሎ ከምዝመጽአ ዶ\/ር ክብሮም ተዛሪቡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝበሎ የለን። ቅድም ኢሉ ግን፡ ኣብ ወሃደራዊ ናቑጣታት ዒላማ ገይሩ መጥቃዕቲ ከምዝፍጽምን፡ ነበርቲ ንነፍሶም ካብ ከምዚ ዓይነት ከባብታት ከርሕቑን ኣጠንቂቑ ነይሩ'ዩ። እዚ መጥቃዕቲ ድሮን፡ እቲ ኲናት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዳግማይ ካብ ዝጅመር፡ ራብዓይ ዙር ዝካየድ ዘሎ ዀይኑ፡ መውዓሊ ህጻናት፣ ድምጺ ወያነ፣ ዩኒቨርሲቲ መቐለን መንበሪ ኣባይትን ግዳይ እቲ መጥቃዕቲ ምዃኖም ጸብጻበት ይሕብሩ። ቴሌቪዥን ትግራይ፡ እቲ ግፍዒ ነበርቲ ደቂሶም ኣብ ዝነበርሉ እዋን ከምዝተፈጸመን ኣብ ልዕሊ ህይወት ንጹሃትን ንብረቶምን ዓቢ ኪሳራ ከምዝበጽሐ ጸብጺባ ኣላ። ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት መብራህቲ ሓይሊ’ውን ዕንወት ከምዝበጽሐ ጸብጻባት የመልክቱ። ቢቢሲ ዘዘራረቦ፡ ኣብ ቀብሪ እቲ ነባሪ ዝተሳተፈ ውልቀሰብ ከምዝብሎ እቲ ግዳይ ወዲ 61 ዓመት እንትኸውን፡ ጸባ ብምሕላብን ብምፍራይን መዓልታዊ ስራሕ ዝናበር ከምዝነበረ ተዛሪቡ። “ኣብ ደስታ ሆቴል ኣከባቢ፡ መንበሪ ኣባይቲ እዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ። እቶም ዝተወቕዑ ሰብኣይ ናብ ስረሖም ክኸዱ እንተለዉ፡ ካብ ሰፈሮም ርሕቕ ኢሎም እዮም ተወቒዖም” ኢሉ። ካብ ለይቲ ጀሚራ ዝርብሽ ድምጺ ናይታ ነፋሪ [ድሮን] ይስማዕ ከምዝነበረን፡ ኣስታት 11 ሰዓት አካባቢ፡ እቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመትን ወሲኹ ሓቢሩ። ሓይልታት ትግራይ ይትኩሱላ ምንባሮም ዝገለጸ እቲ ነባሪ፡ እቲ ሓደጋ፡ መጥቃዕቲ ድሮን ምዃኑ ከምዝተገንዘበ ተዛሪቡ። “ከይደ ርእየ እየ። ሕዚ ድሕሪ ሰዓት ድማ ቀብሪ ነይሩ። ሕዚ ሰብ ቀብሪ ወዲኡ ነናብ ገዝኡ ይምለስ ኣሎ” ብምባል ዝተመልከቶ ወሲኹ ገሊጹልና። ኣብቲ ከባቢ ደስታ ሆቴል ዝኾነ ወተሃዳራዊ ዒላማ ኣሎ ድዩ ኢልና ዝሓተትናዮ፡ እቲ ነባሪ፡ “ሙሉእ ንሙሉእ መንበሪ ገዛውቲ እዩ። ዝኾነ ወተሃደራዊ ዒላማ የብሉን\" ዝብል ምላሽ ሂቡና። እዚ ብተደጋጋሚ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ድሮን ነቲ ሕብረተሰብ የሸብሮ ከምዘሎ ድእእማ ይገልጽ። “ኣነ ከምዝመስለኒ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝኾነ ወተሃደረዊ ዒላማ መሰረት ዝገበረ ኣይኮነን። ኣብ ልዕሊ እቲ ሕብረተሰብ ጸቕጢ ንምፍጣር ይመስል። ክትዘውር እንተላ ድመጻ ይርብሽ። ሰዓት 9 ናይ ለይቲ ጀሚራ እያ ትዘውር ነይራ። ብድምጻ፡ ‘ትድብድ’ዶ ትኾን’  ብዝብል  እቲ ሰብ ይርበሽ። እቲ ትትኩሶ መሳርሒ’ውን ኣዝዩ እዩ ዝርብሸካ። እዚ ኩሉ ተደማሚሩ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕበረሰብ ናይ ስነ ልቦና ቅልውላው ንምፍጣር እዩ ዝመስል”። ኣብ ከተማ መቐለ ብረቡዕ 14 መስከረም 2022 ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ብውሑድ 12 ሰባት ከምዝተቐተሉ ሜዲካል ዳይሬክተር ሆስፒታል ዓይደር ሓቢሩ። ነዚ ስዒቡ፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸሙ መጥቃዕታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ [ድሮን]፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምምጻእ ዘሎ ተስፋ ዳግም ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ ብምባል ምኹናኑ ዝዝከር እዩ። እቲ ኲናት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዳግም ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ሓያሎ ውግእ ይካየድ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ። ሓይልታት ትግራይ፡ ካብ ሓይልታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተዋደደ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዝተኸፍቶም እንተገለጹ'ኳ፡ ዛጊድ ካብ ክልቲኦም መንግስታት ዝተውሃበ መብርሂ የለን።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c1dn258p4rko"} {"headline":"ኣብ ዓዲ ዳዕሮ እንታይ እዩ ተፈጺሙ?","content":"ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኣየር ሓያለ ሰባት ከምዝተቐትሉ ካብቲ ክልል ዝወጹ ጸብጻባት ሓቢሮም። ኣብቲ ብሰሉስ ኣብ ዓዲ-ዳዕሮ ዝተባህለ ከተማ ዝተኻየደ ደብዳብ ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ሓደ ሰራሕተኛ ዓለምለኻዊ ትካል ሰብኣዊ ረዲኤት ካብ ከተማ ሽረ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ቴሌቪዢን ናይቲ ክልል ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብ\"ተደጋገሚ\" ከምዝተኻየደን፡ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከምዘውረደን ሓቢሩ። ኣብቲ ቦታ መራኸቢታት ብምቍራጹን ጋዜጠኛታት ናብቲ ክልል ከይኣትዉ ስለዝተኸልከሉን ብዛዕባ'ቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ምዕባለታት ብቐረባ ምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኮይኑ ይርከብ። እቲ ሰራሕተኛ ረዲኤት ከምዝበሎ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝቖሰሉ ሰባት ብኣንቡላንስ ናብ ሆስፒታላት ክወሰዱ ከምዝራኣየ ጠቒሱ። \"ትማሊ ሓንቲ ኣምቡላንስ ቁሱላት ሒዛ ብጥቓ ዝሰርሓሉ ቤት ጽሕፈት ክትሓልፍ ርእየ ኣለኹ\" ክብል ነቲ ኩነታት ብቐረባ ከምዘረጋገጾ ጠቒሱ። እቶም ቁሱላት ናብ ሆስፒታል ሽረ ከምዝተወስዱ ሓበሬታ ከምዘለዎ'ውን ተዛሪቡ። ሰብመዚ ትግራይ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ኣብ ዓዲ-ዳዕሮ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝተፈጸመን፡ \"ሓያለ ሰባት ከምዝተቐትሉን፡ ብዙሓት ካልኦት ከምዝቖሰሉን\" ሓቢሮም። እቲ መጥቃዕቲ ብሓይሊ ኣየር ኤርትራ ከምዝተፈጸመ'ውን መራሕቲ ትግራይ ከሲሶም ኣለዉ። ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ኮነ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ብዛዕባ'ቲ መጥቃዕቲ ዝምልከት ዝተዋህበ መግለጺ የለን። እንተኾነ ግን፡ ኲናት ትግራይ ድሕሪ ምውልዑ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብቲ ክልል ተደጋጋሚ ደብዳባት ነፈርቲ ውግእን ከምኡ'ውን ሰብኣልቦ ነፈርቲን (ድሮናት) ካከይድ ምጽንሑ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዘተኻየደ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ሓደ ሰብ ክቕተል እንከሎ ሓያሎ ካልኦት ከምዝቖሰሉ ነበርትን ሰብ ሞያ ሕክምናን ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም። ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ተኻይዱ'ኳ እንተነበረ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ግን፡ ብዝተፈላለየ ኣንፈታት ውግእ ከምዝተወልዐ ይግለጽ። ቢቢሲ ዳግማይ ምውላዕ ናይቲ ኲናት ዝእምት ዓቢ ወተሃዳዊ ምንቅስቓስ ዘርኢ ብናይ ሳተላይት ስእልታት ዝተሰነየ ጸብጻብ ኣውጺኡ'ሎ። ኣብዚ ወርሒ’ዚ ዝተወስደ ስእልታት፡ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣንጻር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዝገብሮ ዘሎ ኵናት ዝድግፍ፡ ኣብቲ ንኢትዮጵያን ንኤርትራን ዘዳውብ ቦታ ዝተኣኻኸበ ሰራዊትን ወተሃደራዊ ነቑጣታትን የርኢ። ኤርትራ ኣብ ቀረባ እዋን ዕቑር ሰራዊታ ከምዘኽተተት ይዝከር። ብ13 መስከረም ቅድሚ እዚ ስእሊ ሳተላይት ምውሳዱ፡ ሓላፊ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ንመራኸቢ ብዙሃን 'ቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ \"ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ሽራሮ ክሳብ ኣድመይቲ ተቘጻጺሮሞ ኣለው\" ኢሉ ነይሩ። ኣብዚ እዋን እዚ ሽራሮ ኣብ ኢድ መን ከምዘላ ንጹር ኣይኰነን። እቲ ኣብ ሽረን ከባቢኡን ንዓለም ለኸ ትካል ረድኤት ዝሰርሕ፡ \"ኵነታት መዓልታዊ እዩ ዝቀያየር ዘሎ\" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣሜሪካ ብዛዕባ እቶም ናብ ኢትዮጵያ ዝሰግሩ ወተሃደራት ኤርትራ ሻቕሎት ከም ዘለዋ ብምግላጽ፡ \"ሰራዊት ኤርትራ ደው ክብሉ ኣለዎም\" ኢሉ ነይሩ። ሰብመዚ ኤርትራ ብወገኖም ነቲ ዝቐርበሎም ነቐፌታታት ብምቅዋም፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሃገሮም መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ሃቐነ ከምዘለዎም ይኸሱ። ዓለማዊ ፕሮግራም ምግቢ ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ’ዚ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ውግእ ሓድሕድ፡ ኣስታት 13 ሚልዮን ሰባት ረድኤት ከምዘድልዮም ይሕብር ። ነቲ ሂወት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ቀዚፉ ዘሎ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ጭቡጥ ፍረ ኣየምጸአን።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c1dnvknj8r7o"} {"headline":"ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ማይክ ሃመር ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ከምዝተዘራረበ ተገሊፁ","content":"ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ፡ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን ላዕለዎት ሰበስልጣን እታ ሃገርን ከምዝተራኸበ ተሓቢሩ። ንኣዋርሕ ተቛሪፁ ዝጸንሐ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ምውልዑ ስዒቡ ንመዓልታት ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመጸአ እቲ ፍሉይ ልኡኽ፡ ክልቲኦም ተፃባእቲ ወገናት ነቲ ኲናት ደው ኣቢሎም ልዝብ ክጅምሩ ጸቕጢ ይገብር ከምዝነበረ ይግለጽ። ብ30 ነሓሰ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ክሳብ 5 መስከረም ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ኲናት ሓድሕድ ቀንዲ ዛዕብኡ ከምዝነበረ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ዘውፀኦ መግለፂ የመልክት። እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያ ኣፈጻሚት ጉዳያት ኣሜሪካ ምስ ዝኾነት ትሬሲ ኣን ጃኮብሰን ከምኡ’ውን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃእን ደመቀ መኮነን ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ተገሊፁ ኣሎ። ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዳግማይ ዝተወልዐ ኲናትን፡ ኤርትራ ዳግማይ ናብቲ ኲናት ምእታዋን ብዝምልከት ኣሜሪካ ዘለዋ ስግኣት፡ ከምኡ’ውን ብመገዲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቢልካ ዘላቒ ሰላም ንምምጻእ ዝግበር ጻዕርታት ምጥንኻር ብዝምልከት ከምዝተዘራረቡ ኣብቲ መግለፂ ተጠቒሱ። ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፡ ብተወሳኺ ምስ ሰበስልጣን ክልል ትግራይ ዝተዘራረበ ኮይኑ ምስ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ድማ ንክልላት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዝበፅሓሉ ኩነታት ከምዝዘተየ ተገሊፁ። ማይክ ሃመር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንመዓልታት ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሚኒስተር ፍትሒ ኢትዮጵያ ጊዴዎን ጢሞቴዎስን ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ሬድዋን ሑሴንን ከምዝተራኸቡ ይንገር። ምስኣየኖት መራሕቲ ትግራይ ተራኺቡ ዝብል ግን እቲ መግለፂ ኣየነፀረን። ምስ ኲናት ተተሓሒዙ ሰላማውያን ሰባት ጉድኣት ከይበጽሖምን ሰብኣዊ መሰላት ክኽበርን ዘተሓሳሰበ እቲ ፍሉይ ልኡኽ፡ ንብሄር መሰረት ዝገበረ ማእሰርቲ ዝምልከቱ ጸብጻባት ብምልዓል’ውን ተዘራሪቡ። ምስቲ ዝተፈፀመ ጨፍጫፋት ብዝተኣሳሰር ተሓታትነት ክህሉ ከምዘለዎ ከምኡ’ውን ግዳያትን ካብ ዓመፅ ዝደሓኑን ፍትሒ ክረኽቡ ኣብ ዝኽእሉሉ ኩነታት ከምዝተዘራረቡ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ዘውፅኦ መግለፂ የመልክት። እቲ ፍሉይ ልኡኽ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ዓለምለኸ መሻርኽትን ኣብ ቀፃሊ ክውሰዱ ብዛዕባ ዘለዎም ስጉምትታት ድሕሪ ምዝርራቡ ብ6 መስከረም 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ናብ ዋሽንግተን ከምዝተመልሰ ተፈሊጡ። ንሱ፡ ምስቲ ሰኑይ 09 መስከረም 2015 ኣ.ግ ኣብ ኣሜሪካ ኒውዮርክ ምስ ዝጀመረ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ጎኒ ጎኒ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታቱ ክቕጽል ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ምስቲ ንሕብረት ኣፍሪቃ ብምውካል እቲ ኲናት ከብቅዕ ዝጽዕር ዝነበረ ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ብተደጋጋሚ ተራኺቡ፡ ኣመሪካ ሰላም ንምምጻእ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ክትህቦ እትኽእል ደገፍ ብዝምልከት ተዘራሪቡ’ዩ። ኣብ ሽምግልና ሕብረት ኣፍሪቃ እምነት ከምዘይብሎም ብተደጋጋሚ ክገልፁ ዝፀንሑ መራሕቲ ትግራይ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ትሕቲ ሓልዮት ሕብረት ኣፍሪቃ ንዝግበር ልዝብ ድልዋት ምዃኖም ብምግላፅ፣ እቲ ግጭታት ብቕልጡፍ ደው ክብል ድልየት ከምዘለዎም ምሕባሮም ይዝከር። ነዚ ስዒቡ፡ ንመዓልታት ወግዓዊ ምላሽ ከይሃበ ዝፀንሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕብረት ኣፍሪቃ ንምልዛብ ድልው ከምዝኾነ፡ ብመንገዲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኣቶ ደመቀመኮኖንን ኣቢሉ ንሰበስልጣን ሕብረት ኤውሮጳ ከምዘፍለጠ ፀብፃባት የመልክቱ። መንግስቲ ኣሜሪካ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ድርድር ንምስታፍ ዘለዎም ድልውነት ብእወንታ ከምዝሪኦ ብምሕባር፡ ኩሎም ተፃባእቲ ሓይልታት ጭቡጥ ስጉምቲ ብምውሳድ ብቕኑዕ ድሌት ናብ ድርድር ክኣትዉ ብመገዲ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ሓቲቱ ኣሎ። ማይክ ሃመር ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ብምዃን ቅድሚ ሎሚ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ናይ መጀመርያ መገሻ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ኣብ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ዘትዩ ምንባሩ ይዝከር። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ብዝብል ዝተበጽሐ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ብ18 ነሓሰ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ከምዝተጠሓሰን ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ሰሜን ኢትዮጵያ ውግእ ይካየድ ከምዘሎን ጸብጻባት ይሕብሩ። ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ከምኡ'ውን ምስ ክልል ትግራይ ኣብ ዝዳወቡ ከባቢታት ዝተወለዐ ኲናት መን ጀሚርዎ ኣብ ዝብል ንሓድሕዶም ኣብ ምክሳስ ይርከቡ። ብኣንፈት ዓፋር እውን ጎንፅታት ከምዝነበሩ ይግለፅ። ልዝብ ሰላም ክጅመር ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ዝነበረ እዋን ዳግማይ ኲናት ምልዓሉ ስዒቡ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሓይልታት ትግራይ \"ኣብዝተፈላለዩ ከባቢታት ኲናት ከፊቶም\" ክብል ይኸስስ፤ ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም ብዘይካ'ቲ ምስ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት፡ ብወገን ኤርትራ እውን መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ከምዝተኸፈተ ምሕባሮም ይዝከር። ኣመሪካ ሓዊሱ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለምለኻውያን ትካላትን፡ ኩሎም ወገናት ካብ ግጭት ክዕቀቡ ብምሕታት፡ ሰብኣዊ ረድኤት ንዘድልዮም ወገናት ሓገዝ ክቐርበሎም ከተሓሳስባ ፀኒሔን’የን። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ኣቆፃፅራ ግእዝ ጀሚሩ ክልተ ዓመት ክመልኦ ቀሪቡ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምልብዑ ዓሰርተታት ኣሽሓት ንኽሞቱን ሚልዮናት ንኽፈናቐሉን ምኽንያት ከምዝኾነ ይግለፅ። ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ሰባት እውን ተፀበይቲ ሰብኣዊ ረድኤት ኮይኖም ኣለዉ።","category":"ህወሓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd12z972k27o"} {"headline":"ሕዚ'ውን ኦባሳንጆ መስርሕ ሰላም ክመርሑ ድልየትና ኣይኮነን'- ሰብመዚ ትግራይ","content":"ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ቀጺሉ ዝነበረ ምቁራጽ ተጻብኦ ፈሪሱ፡ ናብ ካልእ ዙር ኲናት ካብ ዝኣትዉ ኣስታት ክልተ ሰሙናት ተቖጺሮም ኣለዉ፡፡ ንነዊሕ እዋን ብሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝምራሕ ዘተ ሰላም እምነት ከምዘይብሎም ክገልጹ ዝጸንሑ ሰብ መዚ ትግራይ፡ ኣብ መጀመርታ መዓልቲ ዓመት ግእዝን ቅዱስ ዮሃንስን ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ተኹሲ ደው ንምባል፣ ብመሪሕነት እቲ ውድብ ኣብ ዝካየድ ልዝብ ሰላም ንምስታፍ ድሉዋት ከምዝኾኑ ብምሕባር መሪሕ ወኪላቶም ዕላዊ ገይሮም፡፡ እቲ ስጉምቲ ብሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣውሮጳን ሕብረት ኣፍሪቃን ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ናእዳ ዝረኸበ ኮይኑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ዛጊድ ዝሃቦ ምላሽ የለን፡፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ትግራይ ዝካየድ ዘተ ብሕብረት ኣፍሪቃ ‘ጥራሕ’ ክምራሕን ካልኦት ኣካላት ካብ ተዓዛብነት ዝዘለለ ተራ ከይህልዎምን ከምዝደሊ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ፡፡ ተወካሊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ኣይተ ዮሃንስ ኣብርሃ፡ ኣብ ቅዋም ሕብረት ኣፍሪቃን ኣደራዳሪ ገይሩ ዝመረጾ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሴጉን ኦባሳንጆን እምበር ምስቲ ትካል ተቓውሞ ከምዘይብሎም እዩ ዝገልጽ፡፡ ‘‘እተን እነልዕለን ዝነበርና ነጥቢታት ንጹራት እየን ነይረን፡፡ ሓደ ኣፍሪቃ ሕብረት ከም ትካል ብዛዕባ እቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኲናት ግጉይ ዝኾነ ርድኢት እዩ ዘለዎ፣ ኣረኣእይኡ የስተኻኽል፡፡ ካልኣይ እቶም ፍሉይ ልኡኽ ተባሂሎም ዝተቐመጡ ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ እቲ ዝድለ ውጽኢት ኣየምጽኡን ዘለዉ፣ ስለዚ ነቲ ጉዳይ ብልክዕ ክሕዝ ዝኽእል ሰብ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እዩ’’ ይብል፡፡ ብዛዕባ'ቲ ኦባሳንጆ ሒዝዎ'ሎ ዝበሎ \"ግጉይ ርድኢት\" ዝምልከት ንጹር ሓበሬታ ግን ኣይሃበን። እቲ ልዝብ ብፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ክምራሕ ክጠልቡ ዝጸንሑ ሰብ መዚ ትግራይ፡ ሐዚ እውን ነቲ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምውጋን ዝኸሱዎ ኦባሳንጆ ከምዘይቅበልዎ ኣቶ ዮሃንስ ይዛረብ፡፡ ‘‘ሕዚ እውን ነበር ፕረዚደንት ናይጄርያ [ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ] ነቲ መስርሕ ክመርሑ ናትና ድልየት ኣይኮነን፡፡’’ ኮይኑ ግና ሕብረት ኣፍሪቃ ንመግለጺ ሰብመዚ ትግራይ ስዒቡ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ነቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ግብረ ሽበራዊ ተባሂሉ ዝተበየነ ውድብ ሕወሓት ዝመርሖ ምምሕዳር ‘ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ’ ኢሉ ምጽዋዕ ምጅማሩ ዓብዪ ለውጢ ከምዝኾነ እቲ ወኪል ይጠቅስ፡፡ ሰብመዚ ትግራይ ነቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘለዎም ፍልልይ ብሰላማዊ መንገዲ ናብ ዝፍተሐሉ ዘተ ሰላም ንምእታው፡ ኣብቲ ክልል ተቋሪጾም ዘለዉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክምለሱን ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ካብ ትግራይ ክወጹን ክጽውዑ ምጽነሖም ዝዝከር እዩ፡፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣንጻሩ ብዘይዝኾነ ቅድመ ኩነት ዘተ ሰላም ክጅመር ከምዘለዎ ዝገለጸ ኮይኑ ኣብቲ ዘተ ሰላም ዝውክልዎ ሰባት ዕላዊ ካብ ዝገብር ጸኒሑ'ሎ፡፡ ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ትማሊ ጻንሒት ዝገበረ ኣቶ ዮሃንስ ኣብርሃ፡ ብዘይ ቅድመ ኩነታት ናብ ድርድር ንምእታው ዲኹም ተጻብኦ ደው ንምባልን ዘተ ሰላም ንምክያድን ድልየት ከምዘለኩም ገሊጽኩም ዘለኹም ዝብል ሕቶ ቀሪብሉ ነዚ ዝስዕብ ምላሽ ሂቡ፡ ‘‘ፕረዚደንት ትግራይ ዶ\/ር ደብረ ጽዮን ናብ ናይዚ ወርሒ ናይ ባይቶ ጸጥታ ፕረዚደንት ናብ ዝኾነት ፈረንሳይ ኣምባሳደር ዝለኣኾ ደብዳበ ኣሎ፡፡ ትግራይ ክማላኣ እትደልየን ኣብታ ደብዳበ ተዘርዚረን ኣለዋ፡፡ ዘይተዓናቐፈ ቀረብ ሓገዝ፣ ዕጽዋ ክለዓል ኣለዎ፣ ትግራይ ሒዞም ዘለዉ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ብዘይ ወዓል ሕደር ክወጹን ኩነታ ቅድሚ ኲናት ናብ ዝነበሩዎ ክምለሱ ዝብልን መርገጺ ኣሎ፡፡ ምስ ተኹሲ ደው ምባል እውን ዝተኣሳሰር ኣይኮነን’’። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ ተወከልቲ ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ጁቡቲ ዝርርብ ከምዝተኻየደ ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጹ ቀንዮም እዮም፡፡ ወኪል ትግራይ ኣብ ኣመሪካ ኣይተ ዮሃንስ ኣብርሃ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንኽልቲኦም ወገናት ናይ ምቅርራብ ስራሕቲ ከምዝተሰርሐ ዝገለጸ ኮይኑ ኣበይ ንዝብል ግን ከረጋግጽ ከምዘይክእል ሓቢሩ፡፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ መራሕቲ ትግራይ ንቕልጡፍ ምቁራጽ ተጻብኦን ሰላማዊ ፍታሕን ድልዋት ምዃኖም ንዘውጽእዎ መግለጺ ከም ዝቕበል ብምሕባር፡ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየድ መስርሕ ሰላም ንምስታፍ ንዘርኣይዎ ድልውነት ንኢዱ። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ብወገኑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ “ኣብ ዝዀነ ቦታ ኣብ ዝዀነ እዋን” ድልው ከምዝዀነ ብምግላጹን፡ ህወሓት እውን እቲ ኲናት ብሰላም ክዛዘምን ጉዳያት ብዘተ ንምፍታሕን ብምግላጹን፡ ብቕልጡፍ ናብ መስርሕ ሰላም ምእታው ከምዘተባብዕ ገሊጹ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyxn0re2ddwo"} {"headline":"ኣብ ዘተ ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ 'ከቢድ ናይ ወፃኢ ኢድ ኣእታውነት ኣሎ'-ኣብዪ ኣሕመድ","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ኲናት ትግራይ ብሰላም ንክፍታሕ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲን ሓይልታት ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም \"ከቢድ ናይ ወፃኢ ኢድ ኣእታውነት\" ከምዘለዎ ገሊጹ። መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዘካይድዎ ዘተ ሰላም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝተጀመረ ይፍለጥ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ፡ እቲ ካልኣይ ዓመቱ ዝደፍን ዘሎ ኲናት ደው ክብል ዓለምለኸ ፀቕጢ እኳ እንተሃለወ ኢትዮጵያውያን ግን ጸገማቶም ባዕሎም ክፈትሑ ከምዝኽእሉ ተዛሪቡ። \"ኢትዮጵያውያን ጸገማትና ብገዛእ ርእስና ክንፈትሕ ከም እንኽእል ክንግንዘብ ይግባእ\" ኢሉ። ኣብቲ ዘተ ጣልቃ ዝኣተዉ መን ምዃኖም ግን ብንጹር ኣይጠቐሰን። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ንዓለምለኻዊ ተለቪዥን ቻይና ሲጂቲኤን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ስምምዕ ሰላም ክበጽሑ ተስፋ ከምዘለዎ ሓቢሩ ነይሩ። ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ሰራዊት መንግስቲ ፌደራል ንሽረ፡ ኣኽሱምን ዓድዋንን ከምዝተቖጻጸረ ዘረጋገጸ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር \"ህወሓት ሕጊ ሃገር ከኽብር፡ ቅዋም ከኽብርን ከም ሓደ ክልል ኢትዮጵያ ክዋሳእን ከነእምኖ ንፍትን ኣለና\" ኢሉ። ይኹን እምበር እቲ ኲናት ቅድሚ ምውልዑ ኣትሒዙ ህወሓት፡ ፌደራል መንግስቲ ሕጊ ሃገር ይጥሕስ ከምዘሎ ብምግላጽ ቅዋም መንግስቲ ከኽብር ይጽውዑ ምንባሮም ይዝከር። ኣብ ድሮ ምጅማር እቲ ዳግማይ ኲናት ኣቦ መንበር ህወሓት ዶ\/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ንማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ዝጽሓፎ ደብዳበ፡ “ሞት ናብ እንገጥመሉ ደረጃ ብፍጥነት ንጽጋዕ ኣለና። ምርጫና ብጥምየት ምጥፋእ’ዶ ንመሰልናን ክብርናን እናተቓለስና ንሙት ዝብል ጥራሕ’ዩ” ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ። መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፡ መንግስቲ ኢትዮጲያ ተሓታቲ ምዃኑ ከም ዝኣምን፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ገሊጹ ነይሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ ነዚ ፀብፃብ፡ “ብመረዳእታ ዘይተደገፈን ምስሊ እታ ሃገር ብሕማቕ ንምቕራብ ዝዓለመን እዩ” ክብል ነፂግዎ እዩ። እቲ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ደው ኢሉ ዝነበረ ተጻብኦ ካብ ዝጥሓስ ኣትሒዙ ኣብታ ንክልተ ዓመታት ኣብ ዕጽዋ እትርከብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝተፈላለየ ግንባራት ከቢድ ውግእ ይቕጽል ከም ዘሎ ይግለጽ። እቲ ኲናት ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ከም ዘስዓበ ብኹሉ ወገናት ዝጸብጸቦ ኮይኑ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ተጸበይቲ ሰብኣዊ ረድኤት ኮይኖም ይርከቡ። መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን እቲ ደማዊ ኲናት ብሰላማዊ መገዲ ንኸብቅዕ ዘተ ሰላም ንከካይዱ ጻዕርታት ክግበር ጸኒሑ እዩ። ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዘተ ሰላም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝተጀመረ ይፍለጥ። እቲ ዘተ ብላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታን ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ፑምዚለ ማላምቦ-ንጹካን ዝምራሕ እዩ። ብተወሳኺ ዞባዊ ውድብ ቀርኒ ኣፍሪቃ (ኢጋድ)፡ ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ኣሜሪካን ከም ተዓዘብቲ ይሳተፉ ምህላዎም ይግለጽ። ብብዙሕ ዘይተመለሱ ሕቶታት ዝተኸበበ ኰይኑ፡ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ኣሜሪካ ብቐረባ ትከታተሎ ከምዝዀነ ይእመን። እዚ ኣብ ርእሰከተማ ፕሪቶርያ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም፡ ሕቶታት ሉኣላውነት፡ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን፡ ኣብ ትግራይ ዝተቛረፁ መሰረታዊ ኣገልግሎታት፡ ሰብኣዊ ረድኤትን ናይ መሬት ምሰሕሓብን ከምዝለዓለሉ ኣብ ባይታ ዘለዉ ጉዳያት ይእንፍቱ። እቲ ዘተ ሰላም ትማሊ ሰንበት 30 ጥቅምቲ ክዛዘም ትፅቢት ተገይሩ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ዝተመደበሉ ግዜ ስለዘይተዛዘመ ግን ክሳብ ረቡዕ ከምዝቕጽል ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት። ወሃቢ ቃል ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ማሃማት ትማሊ ሰኑይ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ዝርርብ \"ዝተወሰነ ናይ ግዜ ገደብ የለን\" ክብል ሓቢሩ። ዛጊት ግን ኣጀንዳ ናይቲ ልዝብ ኮነ ኣብ ምንታይ ደረጃ ከምዝበጽሐ ዝፍለጥ ነገር የለን። እንተኾነ ግን ኣብ መዛዘሚ እቲ ብብዙሕ ዘይተመለሱ ሕቶታት ዝተኸበበ ልዝብ፡ ሓበራዊ መግለፂ ክወሃብ ትፅቢት ይግበር። እቲ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ካልኣይ ዓመቱ ዝመልኦ ኲናት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ስፊሕ ምፍንቓልን ጥምየትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ እዩ። ብሰንኪ'ቲ ኲናት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣደዳ ጥምየት ክዀኑ እንከለዉ፡ ንዓጸቦ ዝተቓልዑ'ውን ውሑዳት ኣይኰኑን። ብፍላይ ኣብታ ኣብ ምሉእ ዕጽዋ እትርከብ ክልል ትግራይ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ባንኪ፡ ተሌፎን፡ መብራህቲን መጓዓዝያን ብምቍራጹ ነበርቲ እታ ክልል ንሕሰም ተቓሊዖም ይርከቡ። ምናልባት ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ቀረባ እዋን ታሪኽ እቲ ዝሓሰመ ደማዊ ኵናት ከም ዝኾነ ዝንገረሉ እዚ ኵናት፡ ካብ 600 ሽሕ ክሳብ 800 ሽሕ ሂወት ሰባት ከም ዝበልዐ፡ ነዚ ኵናት ብቀረባ ዝከታተሉ ተንተንቲ ይገልፁ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cg38e09jx8no"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ቀጥታዊ ዘተ ንምክያድ ዝቐረበ ሓድሽ ጻውዒት ሕብረት ኣፍሪቃ ተቐቢሉ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ምስ መራሕቲ ትግራይ ብቐጥታ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምዝታይ ብሕብረት ኣፍሪቃ ንዝቐረበሉ ሓድሽ ጻውዒት ከምዝተቐበሎ ኣፍሊጡ። ኣማኻሪ ጉዳያት ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴን ሎሚ ረቡዕ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ ጻውዒት፡ ዘተ ብዘይ ቅድመ ዅነት ክካየድ ንዝብል መትከል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሰማማዕ ምዃኑ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተቐበሎ ሓቢሩ። ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ፈደራል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቃሉ ብምጽናዕ፡ ዘላቒ ሰላም ብምርግጋጽን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገር ብዘኽብር መልክዑ ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ዘኽእል ኵሉ ዓይነት ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣፍሊጡ'ሎ። ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ሰላማዊ መፍትሒ ንምርካብ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ንቐጥታዊ ዘተ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክራኸቡ ዕድመ ከም ዝለኣኸ ተፈሊጡ። እቲ ብዋና ጸሓፊ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተጻሕፈ ደብዳበ፡ ዘተ ሰላም ክልቲኦም ወገናት ካብ ሰንበት 8 ጥቅምቲ 2022 ጀሚሩ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ምዃኑ ዘመልክት እዩ። እንተዀነ ቢቢሲ ዝረኣዮ ካብ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ተላኢኹ ዝተባህለ ደብዳበ፡ እቲ ዘተ ዝጅምረሉ መዓልቲ ሰንበት 8 ጥቅምቲ ምዃኑ'ኳ እንተተመልከተ፡ ሰንበት 9 ጥቅምቲ እዩ ዝውዕል። እቲ ዘተ ሰላም ብላዕለዋይ ወኪል ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ከምዝምራሕ እቲ ደብዳበ የረድእ። ብዘይካ’ዚ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታን ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ዶክተር ፉምዚለ ምላምቦ-ንጉካን እውን ኣብቲ መስርሕ ሰላም ከም ሸምገልቲ ከገልግሉ ምዃኖም ይገልጽ። ዛጊት ካብ መራሕቲ ትግራይ ብዛዕባ እቲ ደብዳበ ጻውዒት ዝተዋሃበ ወግዓዊ መግለጺ የለን። መራሕቲ ትግራይ ኣብ ሓድሽ ዓመት ኣቆጻጽራ ግእዝ 2015 ዓ.ም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝመርሖ ዝርርብ ሰላም ንምስታፍ ድሉዋት ምዃኖም ጻውዒት ምቕራቦም ግን ዝዝከር እዩ። ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፡ ነቲ ኩናት ጠጠው ክብልን ብቕልጡፍ ልዝብ ክጅመርን ንምድጋፍ ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ጕዕዞኡ ምጅማሩ ተገሊጹ እዩ። ማይክ ሃመር፡ ካብ ሰኑይ 3 ጥቅምቲ ክሳብ 18 ጥቅምቲ 2022 ንክልተ ሰሙን ኣብ ዝቕጽል መገሻኡ ናብ ኬንያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን ከምዝበጽሕ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ። ኲናት ትግራይ፡ ብ24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ተበጊሱ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተዘርገሐ ዀይኑ፡ ብሰንኩ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝፀሩ ሰባት ሞይቶም ኣማኢት ኣሽሓት ድማ ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ይግለጽ። ኩሎም ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሞም ተባሂሎም ዝኽሰሱ ኮይኖም፡ ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባትንጥሜት ተሳጢሖም ከምዝርከቡ ጸብጻባት ይሕብሩ። ሓድሽ ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብአዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ፡ ጥሜትን ጾታዊ ግህሰትን ከም መሳርሒ ኲናት ይውዕል ኣሎ ምባሉ ዝዝከር እዩ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/clknyy22p2ko"} {"headline":"ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ኣብ መቐለ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ","content":"ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ምስ መራሕቲ ትግራይ ክዘራረብ ሎሚ 24 ሕዳር ናብ መቐለ ከምዝኣተወ ተገሊጹ። ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ናይ እንግሊዝኛ ፌስቡክ ገጹ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ መራሒ ህወሓት ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ መቐለ ኣሉላ ኣባነጋ ተረኺቡ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ኣቀባብላ ከምዝገበረሉ ገሊጹ። ኦባሳንጆ፡ ዝኾነ ሰብ “ሓይልታት ወጻኢ ኣብዛ ሃገር ምህላዎም ክቕበል የብሉን” ከምዝበለ እቲ ማዕከን ዜና ይሕብር። መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢትዮጵያ (ኢቢሲ)'ውን ብኦባሳንጆ ዝምራሕ ጉጅለ ኣብ ትግራይ ከምዝበጽሐ ኣረጋጊጹ'ሎ። ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ዕላማ እቲ ምብጻሕ ፍሉይ ልኡኽ ከም ሸምገልቲ ናይቲ ውዕል ኣፈጻጽማ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዝርከብ ንምርግጋጽ እዩ። እቲ ምብጻሕ ንቡር ኣካይዳ ሸምገልቲ ከምዝኾነ ዝገልጽ ኣምባሳደር ወንድሙ “ከም ሸምገልቲ ናይቲ ውዕል ኣፈጻጽማ ስታተስ ከመይ እዩ? እንታይ ጸገም ኣሎ? እንታይ ክንሕግዘኩም ንምባል እዩ” ኢሉ። እቶም ሸምገልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተወከልቲ ፌደራል መንግስቲ’ውን ከምዝተዘራረቡ ወሲኹ ገሊጹ። ነቲ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ኣብ ትግራይ ድማ ብፍላይ፡ ጠንቂ ሞት፡ ምፍንቓልን ዕንወትን ኰይኑ ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ብሰላም ንምፍታሕ ጻዕሪታት ክግበር ከምዝጸንሐ ይዝከር። ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ብሕብረት ኣፍሪቃ ተማእዚኑ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ርእሰከማ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም፡ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻእ ዝዀነ ተስፋ ዝተረኸበሉ'ዩ ነይሩ። ኣብቲ ዘተ፡ ናብታ ንኽልተ ዓመት መሰረታዊ ቀረባት ተሓሪማ፡ ሚልዮናት ነበርታ ንከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝተቓልዑላ ትግራይ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክምለሱ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱን ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዋግኡ ዝጸንሑ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ፈቲሖም ናብ ሰላማዊ ናብራኦም ዝምለሱሉ ኵነታት ክፍጠር ዝብሉ ነጥብታት ዝሓዘ ስምምዕ ተፈሪሙ እዩ። ኣባል ናይቲ ነቲ ስምምዕ ዘሳለጠን ንትግባሪኩ ክከታተልን ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተመዘዘ ጉጅለ (ላዕለዋይ ፓነል) ዝኾነት ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ፑምዚለ ምላምቦ-ንጹካ'ውን ምስ ኦባሳንጆ ናብ መቐለ ከምዝጓዕዘት ነቲ ሓበሬታ ዘሰነየ ስእሊ የርኢ። እቲ ጉጅለ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ'ውን ዝርከቦ ምዃኑ ይፍለጥ። ሎሚ ንጉሆ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ጉጅልኡ ንፖለቲካዊ ፀገማት ብ“ሰላማዊ” ኣገባብ ንምፍታሕ ድልው ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጹ'ሎ። ኣብ ፕሪቶርያ ስምምዕ ሰላም ካብ ዝፍርም ንደሓር፡ ተጋደልቲ ሓይልታት ህወሓት ዕጥቆም ንኽፈትሑ ዘለኩም ተወፋይነት ዝቕይር ነገር ተፈጢሩ ድዩ? ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ጌታቸው፡ “ዝተቐየረ ነገር የለን” ኢሉ። እንተኾነ ግን ቅድሚ እቲ ዕጥቂ ምፍታሕ “ብርክት ዝበሉ ተግባራት ክፍጸሙ ንጽበ” ይብል። “እቲ ንብሎ ዘለና፡ ሕሉፍ ሓዲግና፡ እቲ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝተሳቐየ ህዝብና ዝግብኦ ዓይነት ዕረፍቲ ክረክብ፡ ንፖለቲካዊ ጸገማት ብሰላማውን ፖለቲካውን ኣገባብ ክንፈትሖ ድሉዋት” ከምዝኾኑ ተዛሪቡ። ብተወሳኺ ብቅድሚ ትማሊ ሰሉስ፡ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብቲ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያን መላፍንቶምን ኲናት ከካይዱሎም ዝጸንሑ ግንባራት ናይ ምስሓብ መስርሕ ኣብ ዝቕጽሉ ውሑዳት መዓልቲታት ከምዝጅመር ንመራኸቢ ብዙሓን ትግራይ ምግላጹ ይዝከር። ጀነራል ታደሰ፡ ድሕሪ ምፍራም ውዕል ሰላምን ብድሕሪኡ ዝተፈረመ ኣዋጅ ናይሮቢን ንፈለማ እዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዛዕባ እቲ መስርሕ ሰላም ንሓይልታቶም ናይ ምርዳእ ስራሕቲ የጻፍፉ ከምዘለዉ ክገልጽ እንከሎ፡ ምስሓብ ሰራዊት ከምዝቕጽል ተዛሪቡ። “እቲ ምርድዳእ ይግበር ኣሎ፤ ድሕሪኡ ሓይሊ ምልቓቕ ‘ዲስኢንጌጅ ምግባር’፡ ኣጐዓዒዝካ፡ ክዀነሉ ኣብ ዝግባእ ቦታ ንምግባር ድማ ኣብዚ ክልተ ሰለስተ መዓልቲ ዝጅመር ክኸውን እዩ” ኢሉ። ብካልእ ሸነኽ፡ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሓይልታት ወጻኢን ፌደራል ሰራዊት ዘይኮኑ ዕጡቓት ካብቲ ክልል ክወጹ ኣለዎም ዝብል ነጥቢ ኣካል እቲ ስምምዕ’ኳ እንተኾነ፡ እዞም ሓይልታት ግን ክሳዕ ሕጂ ካብቲ ክልል ከምዘይወጹ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ። ቅድሚ ሒደት መዓልቲ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን፡ ኣብ ተፈጻምነት እቲ ውዕል ሰላም ተስፋ ከምዘለዎም፡ እንተዀነ ምውጻእ ናይቶም ኣብ ትግራይ “ግፍዒ ይፍጽሙ ኣለዉ” ክብሉ ዝኸሰሰሱዎም ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ዕንቅፋት ክዀኑ ከምዝኽእሉ ምሕባሮም ዝዝከር እዩ። ብዛዕባ እቲ ብወገን ትግራይ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ፡ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ይዅን ኢትዮጵያ ዝተወሃበ ምላሽ የለን። ጀነራል ታደሰ ወረደ ግን፡ ህላወ ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ኣብ ትግራይ፡ ጭቡጥ ስግኣት እቲ ሰላም ከምዝዀነ ብምግላጽ፡ እቶም ሓይልታት ብቕልጡፍ ክስሕቡ ጸዊዑ እዩ። ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ተኻይዱ ንሞት ኣሽሓት፡ ምፍንቓል ሚልዮናትን ዕንወትን ምኽንያት ዝዀ'ነ ኲናት፡ ደው ንምባል ውዕል ሰላም ድሕሪ ምኽታሙ፡ ናብታ ሚልዮናት ነበርታ ኣብ ዕጽዋ ብጥሜትን ስእነት መድሃኒትን ዝሳቐዩ ዘለዉ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ብቕልጡፍ ክኣቱን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክጅመሩን ትጽቢት ይግበር። ክንድቲ ዝድለ ኣይዅን እምበር፡ ሰብኣዊ ሓገዝን መድሃኒትን ምእታው ከምዝጀመረ ጸብጻባት ይሕብሩ። ብዘይካ'ዚ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ኲናት ተቋሪጾም ዝጸንሑ ናብ ትግራይ ዝግበሩ በረራታት ንምጅማር ምድላዋቱ ምሉእ ብምሉእ ከምዝዛዘመ ንቢቢሲ ገሊጹ፡፡ ድሕሪ እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተጀመረ ኲናት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝበዝሐ ከባቢታት ትግራይ ምስተቖጻጸረ ንሓጺር እዋን እኳ በረራ ተጀሚሩ እንተነበረ፡ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ትግራይ ምስወጽአ ግን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እውን በረራ ደው ኣቢሉ እዩ ጸኒሑ፡፡","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cydmqqnjj45o"} {"headline":"ዘተ ሰላም ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ከምዝካየድ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ","content":"ኣብ መንጐ ፈደራል መንግስቲ እትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን፡ ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ፡ ን 24 ጥቅምቲ 2022 [14 ጥቅምቲ 2015 ግእዝ]፡ ዘተ ሰላም ከም ዝካየድ፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ገሊጹ። ኣምባሳደር ሬድዋን ሎሚ 20 ጥቅምቲ [10 ጥቅምቲ 2015] ኣብ ትዊተር ገጹ ከም ዘስፈሮ፡ ብመሰረት ካብ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ዝረኸብዎ ሓበሬታ፡ እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘተ ሰላም  ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክጅመር እዩ። ኣምባሳደር ሬድዋን “ኣብቲ ዘተ ሰላም ንምስታፍ ዘለና ቈራጽነት ደጊምና ነረጋግጽ፡\" ኢሉ። ንሱ ወሲኹ፡ \"እንተዀነ፡ ገለ ውሑዳት ነቲ ዝርርብ ሰላም ዋጋ ኣስኢኖምዎ ኣለዉ። ብዛዕባ እነካይዶ ናይ ምክልኻል ስጕምቲ ናይ ሓሶት ክስታት ምቕራቦም ኣዝዩ ኣሕዚኑና እዩ፡\" ኢሉ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡  ውድብ ጥዕና ዓለምን ኣሜሪካን፡ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ'ቲ እናጸንከረ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ተኣሳሲሩ፡ ሰለማውያን ሰባት ንመጥቃዕቲ ዘቃልዕ ደብዳባትን ብሃበ ተረኽበ መቕተልትን ይካየድ ምህላዉ ምግላጾም ዝዝከር እዩ። ብፍላይ፡ እታ ብዙሓት ተመዛበልቲ ኣዕቍባ ዘላ ከተማ ሽረ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ምእታዋ ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ። ዛጊድ እቲ ብኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ዝምራሕ ዘተ ብዝምልከት፡ ካብ ሰብ መዚ ትግራይ ዝተወሃበ ቃል የለን። ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ቀዳማይ ሰሙን 'ዚ ወርሒ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ዘተ ሰላም ክሳተፉ ንዘቕረበሎም ጻውዒት፡ ተቐቢሎም ምንባሮም ዝዝከር እዩ። ምኽንያቱ ብዕሊ’ኳ እንተዘይተገልጸ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ሎጂስቲክስ እቲ ዘተ ከም ዝተቓረጸን ንዘይተወሰነ ዕለት ከም ዝተናውሐን ይዝከር። መዓልቲ ዘተ ሰላም ድሕሪ ምስግጋሩ፡ ኣብ ዘለዉ መዓልታት ከቢድ ውግእ ዝቐጸለ ኰይኑ፡ መንግስቲ ፈደራል ንከተማ ሽረ፡ ኣላማጣን ኮረምን ከም ዝተቘጻጸረ ጸብጻባት ይሕብሩ። እንተዀነ መራሕቲ ትግራይ ከተማ ኮረም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓይልታት ትግራይ ምህላዋ ንቢቢሲ ገሊጾም። ሕብረት ኣፍሪቃ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብቕልጡፍ ደው ክብልን ሰብኣዊ ሓገዝ ክግበርን ጸዊዑ እዩ። ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብ 15 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣቦ መንበር እቲ ሕብረት ሙሳ ፋኪ መሃማት እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ጸንኪሩ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣመና ከም ዘሻቐሎ ገሊጹ፤ ብፍላይ ኣብዚ መወዳእታ እዋን ካብ ዘቕረቦ መጸዋዕታ ፍልይ ብዝበለ ቃና፡ \"ህጹጽ፡ ዘይቅድመኵነታዊ ምቍራጽ ተዅሲን ምጅማር ሰብኣዊ ኣገልግሎታት፡\" ክትግበርን ጸዊዑ። ሓይልታት ትግራይ፡ ነቲ ጻውዒት ተቐቢሎም ነዚ ተግባራዊ ክገብር ሓቲቶም። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ \"ኵነታት ኢትዮጵያ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ይኸውን ኣሎ\" ብምባል እቲ ኲናት ብቕልጡፍ ደው ክብል ጸዊዑ። ብተወሳኺ፡ \"ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ ክወጽእ\" ጸዊዑ። ሕብረት ኣውሮጳ ተመሳሳሊ ጻውዒት ከም ዘቕረበ ኰይኑ፡ ሓይልታት ትግራይ እውን ካብ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ክቝጠብ ኣተሓሳሲቡ። እቲ ኣብ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ካልኣይ ዓመቱ ተቓሪቡ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ፡ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ወሲዱ፡ ንሚልዮናት ግዳያት ጥሜት ምምዝባልን ዝተፈላለዩ ኣስካሕካሕቲ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ኣቃሊዑ'ኳ እንተዀነ፡ ዛጊት ሰላማዊ መዕለቢ ኣይተረኽቦን።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3gvnyl5j90o"} {"headline":"ቀዳምነት ልዝብ ናይሮቢ፡ ምጅማር መሰረታዊ ኣገልግሎታት ምዃኑ ኣሜሪካ ኣፍሊጣ","content":"ትማሊ ሰኑይ ኣብ ናይሮቢ ዝጀመረ፡ ዘተ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ምክልኻል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ሎሚ’ውን ከምዝቐጸለ ተፈሊጡ። እቲ ብቐንዱ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝእለ ዘሎን፡ ፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሰጉን ኦባሳንጆን፡ ፕረዚደንት ኬንያ ዝነበረ ኡሁሩ ኬንያታን ብመንጐኝነት ዝመርሕዎ ዘለውን ዘተ፡ ሓደ ካብ ቀንዲ ኣጀንዳኡ ብሰንኪ'ቲ ኲናት ኣብ ትግራይ ተቛሪጾም ዘለው መሰረታዊ ኣገልግሎታት ንምጅማር ምዃኑ ኣሜሪካ ሓቢራ። ወሃቢ ቃል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ነድ ፕራይዝ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ናይሮቢ ኣዳራሽ ካረን ሞራን ዝቕጽል ዘሎ ልዝብ ኣመልኪቱ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ቀዳማይ ዕላማ እዚ ዘተ፡ ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመት ተቛሪጾም ንዝጸንሑ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ምጅማር፤ ሰብኣዊ ረዲኤት ምቅልጣፍ ከምኡ'ውን ብሰንኪ'ቲ ኲናት \"ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ተቛሪጹ ዘሎ ኣገልግሎታት ምጅማር ምዃኑ ተረዲእና ኣለና\" ኢሉ። ካብ ቀንዲ ዕላማታት እዚ ዘተ፡ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቈም ብዛዕባ ዝፈትሕሉ ኣገባባት ከምኡ'ውን እቶም ኣብ ውግእ ዝጸንሑ ዕጡቓት ዝህደሱሉን ናብ ሰላማዊ መነባብሮኦም ዝምለሱሉን ኵነታት ብዛዕባ ዝመቻችኣሉ መስርሕ ንምዝርራብ ምዃኑ'ውን ይፍለጥ። ብመሰረት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ “ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይን ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት ተራኺቦም ኣፈጻጽማ እቲ ስምምዕ ዝምልከት ይዛተዩ ኣለው” ክብል ወሃቢ ቃል ተዛሪቡ። \\nክልቲኦም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ርክብ ተሌፎን ከም ዘካየዱ ዝጠቐሰ ነድ ፕራይዝ፡ \"እዞም ጭቡጣት ስጕምትታት ክልቲኦም ወገናት ድምፂ ጠበንጃ ንምቁራፅ ዘለዎም ተወፋይነት ዘንጸባርቝ'ዮም\" ክብል ኣረዲኡ። ናይዚ ዘተ ኣጀንዳታት ንትግባረ ስምምዕ ንምቍጽጻር ዘኽእሉ መንገድታት ምዝታይን ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይን ዘጠቓልል ምዃኑ እቲ ኣፈኛ ወሲኹ ሓቢሩ። መንጐኛታት እዚ ዘተ፡ ፕረዚደንታት ነበር ኦሊሰጉን ኦባሳንጆን ኡሁሪ ኬንያታን፡ ናይ መወዳእታ ውጽኢት እዚ ዘተ እወታዊ ከም ዝኸውን ዘለዎም እምነት ገሊጾም ኣለው። መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፡ ነቲ ክልተ ዓመቱ ዝመልአ ኲናት ሓድሕድ ሰላማዊ መኸተምታ ንምግባር፡ ኣብ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ ን10 መዓልቲ ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተ፡ ብ 2 ሕዳር ውዕል ምቍራጽ ተጻብኦታት ምፍራሞም ዝዝከር እዩ። ስምምዕ ካብ ዝፍረም ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ክልቲኦም ወገናት መስርሕ ትግባረኡ ኣብ ዝምልከት ልዝብ ክጅምሩ ንዝተበጽሐ ምርድዳእ መሰረት ብምግባር፡ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ምክልኻል ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደን  ክዛተዩ ጀሚሮም ኣለው። \"ካብዚ ኣኼባ'ዚ ትጽቢት ዝግበረሎም ስምምዓት፡ ዕጥቂ ንምውራድ፣ ሰብኣዊ ተበጻሕነት፣ ከምኡ'ውን ኣብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ምምላስን\" ምዃኑ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣነጺሩ እዩ። ኣብ መኽፈቲ’ቲ ንሰለስተ መዓልቲ ክቕጽል ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ልዝብ፡ መራሕቲ ጕጅለ ተዛተይቲ ክልቲኦም ወገናት፤ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን ኣቶ ጌታቸው ረዳን በብወገኖም መደረ ኣስሚዖም። ንጕጅለ ተዛተይቲ ኢትዮጵያ ዝመርሐ ሬድዋን፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት እቶም ኣዘዝቲ ክራኸቡ ምኽኣሎም ብምንኣድ \"እዚ ውሕስነት ዝፈጥርን ናብቲ ክሳብ ሎሚ ክብጻሕ ዘይከኣለ ሰብኣዊ [ሓገዝ] ንኽውሕዝ ዘቀላጥፍን እዩ\" ኢሉ። ንሱ ወሲኹ \"ኣገልግሎታት ባንክ፣ መብራህትን ተሌፎንን ደጊምና ከነራኽቦ ኣለና፤ ቅድሚኡ ግን ሰባት መግብን መድሃኒትን እዮም ዝደልዩ ዘለው፣ ነዚ ንምቅልጣፍ ድማ ንጽዕር ኣለና\" ክብል ገሊፁ። ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ ኣብቲ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተጠቓለሉ ሓያለ ስምምዓት ከም ዘለው ጠቒሱ። ካብኣቶም ምጅማር ኣገልግሎታት ካብቶም ቀንዲ ምዃኑ ብምሕባር “ኣገልግሎታት እናወሰኹ ኣብ ዝኸዱሉ እዋን እቲ ምትእምማንን ተስፋን ብኡ መንጽር እናዓበየ ከም ዝኸይድ” ገሊፁ። እዚ ድማ ነቲ ንግብራውነት እቲ ስምምዓት ሓጋዚ ምዃኑ ኣገንዚቡ። ኣቶ ጌታቸው ድሕሪ’ቲ ናይ ትማሊ ኣኼባ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ፍጡር ክጻወሮ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ዝተሳቐየ ህዝብና ንምድሓን ዝሕተት ዘበለ ክንገብር ኢና” ኢሉ። “ህዝብና ካብ ኩሉ ንላዕሊ ሰላም’ዩ ዝደሊ። ንህዝብና ዝኣተናዮ መብጽዓ ከነተግብር ዲና ዝብል ግዜ ክምልሶ’ዩ” ዝበለ ኣቶ ጌታቸው፡ ኣብቲ ስምምዕ ዝገበርዎ ሕድገታት “ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ” ምዃኑ ሓቢሩ። ሰብመዚ ኤርትራ ብወገኖም፡ ሰላም ንቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዘድልዮ ድሕሪ'ቲ ስምምዕ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ገሊጾም ኣለዉ። \"ቀዋሚን ዘይቅልበስን ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝደልዮ እዩ፣ ይቐርብ’ውን ኣሎ። እዚ ኸኣ፡ ኣካል ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን-ኢትዮጵያን 2018 እዩ\" ክብል ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ትማሊ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cqvwxnz4n3do"} {"headline":"ሰነድ ስምምዕ ናይሮቢ ዘስፈሮ ነጥብታት እንታይ እዩ?","content":"ኣብ ኢትዮጲያ ንኽልተ ዓመት ምሉእ ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት ሓድሕድ ድው ንምባል፡ ኣብ ፕሪቶርያ - ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንዓሰርተ መዓልታት ድሕሪ ዝተኻየደ ልዝብ፡ ተጻብኦታት ብዘላቕነት ድው ንምባል ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ዝዝከር እዩ። ነቲ ሰነድ መሰረት ብምግባር፡ ንኣተጋባብራ ‘ቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ ዝምልከት፡ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ሓይልታት ምክልኻል መንግስቲ ፈደራልን ሓይልታት ትግራይን፡ ኣብ ናይሮቢ ንሓሙሽተ መዓልታት ዘካየድዎ ልዝብ ድማ፡ ሰነድ ትግባረ ስምምዕ ብምኽታም ብ12 ሕዳር 2022 ተዛዚሙ። ድሕሪ’ዚ፡ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ፈደራል ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ከምኡ’ውን ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ተሰማሚዖም ዝኸተሙሉ ሰነድ ወግዓዊ ኰይኑ። እዚ ብ 7 ሕዳር፡ ኣብ ዕጽው ኣዳራሽ ካረን ሞራን - ናይሮቢ ዝጀመረ ልዝብ፡ ንሰለስተ መዓልታት ክጸንሕ ተባሂሉ’ኳ እንተነበረ፡ ክሳብ 12 ሕዳር ተናዊሑ። እዚ ሰነድ ብሓፈሻ፡ ግጭት ብዘላቕነት ደው ምባል፡ ምፍታሕ ዕጥቂ፡ ሰብኣዊ ረዲኤት፡ ድሕነት ሰላማውያን ሰባት፡ ሓላፍነታዊ ኣጠቓቕማ ሚድያ፡ ምክትታልን ምርግጋጽን [ትግባረ] ዝብሉ ሽዱሽተ ቀንዲ ጉዳያት ዘስፈረ እዩ። ክልቲኦም ወገናት ነዚ ስምምዕ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ “ኣብ ትግራይ ይዅን ኣብ ካልኦት ጐረባብቲ ክልላት ዘድሊ ሰብኣዊ ረድኤት ምእንቲ ክባጻሕ፡ ዘድሊ ነገራት ከዋድዱ ተሰማሚዖም ኣለዉ፡” ኢሎም። ካብ ቀንዲ ኣላዘብቲ ዝዀነ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ፡ ተመሳሳሊ ኣሰቃቒ ተግባር ንዝፍጽሙ ኣካላት፡ “ከቢድ ማዕቀብ” ክግበረሎም እዩ ክብል ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣጠንቂቝ። “ቀዳምነት ዝወሃቦ ግን” ዝበለ ኡሁሩ ኬንያታ፡ “. . .ጠበንጃ ምዕጋስ፡ ንነበርቲ ዘድሊ ረድኤት ምእታውን፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ዝነበሮ ምምላስን እዩ፡” ኢሉ። ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ብወገኑ፡ “ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዘይተነግረ ስቓይ እዩ ወሪዱና፡ ሕጂ’ውን ንሳቐ ኢና ዘለና፡” ድሕሪ ምባል፡ “ስለዚ፡ እዚ ሎሚ እንኣትዎ ዘለና ውሳነ፡ ስቓይ ህዝብና ኣብ ሓጺር ግዜ ከብቅዕ ተስፋ ብምግባር እዩ፡” ኢሉ። ንምዃኑ፡ እዚ ሰነድ ኣተግባብራ ስምምዕ እንታይ ዝርዝራት ዝሓዘ እዩ? ክልቲኦም ወገናት ካብ ዝዀነ ወተሃደራዊ ግጭት ክቝጠቡን ደው ከብሉን ሓፈሻዊ ዕላማ ትግባረ ስምምዕ ንምዕዋት ዘድሊ ዘበለ ስጕምትታት ከም ዝተወስደ ከረጋግጹ። ብመሰረት ዓንቀጽ 6 ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ምፍታሕ ዕጥቂ ተግባራዊ ከም ዝኸውን እቲ ሰነድ ይጠቅስ። ኣብዚ ሰነድ ትግባረ፡ ካብ ክልል ትግራይ ክወጽኡ እዮም ዝተባህሉ ሓይልታት ወጽኢ ከምኡ’ውን ካብ ሓይልታት ምክልኻል ፈደራል ወጻኢ ዝዀኑ ሓይልታት ብስም - ብግልጺ - ኣይተረቝሑን። እታ፡ ኣብዚ ኲናት ሰራዊታ ኣሰሊፋ ንፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ደጊፋ ክትዋጋእ ዝጸንሐት ኤርትራ፡ ኣብቲ ልዝብ ኣይተሳተፈትን። ኣብዚ ሰነዳት ስምምዕ ሰላም፡ ኤርትራ ብቕሉዕ’ኳ እንተዘይተጠቕሰት፡ ምዕራባውያን ሃገራትን ዝተፈላለያ ኣህጉራውያን ትካላትን ግን፡ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ነቲ ጉዳይ ይሓላልኾ ኣሎ ብምባል ጠቕሊላ ሰራዊታ ካብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ክትስሕብ ክሓታ ጸኒሐን እየን። ብመሰረት ዓንቀጽ 4 እቲ ስምምዕ፡ ትካላት ጸጥታ ፈደራልን ትካላት ጸጥታ ክልልን ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ 'ታ ሃገር ድሕነት ሰላማዊ ህዝቢ ምርግጋጽ ሓላፍነት ኣለዎም። ብመሰረት ዓንቀጽ 5 ውዕል ፕሪቶርያ፡ ተዋጋእቲ ወገናት እዚ ዝስዕብ ከተግብሩ ተሰማሚዖም ኣለዉ፤ ዓንቀጽ 11 ስምምዕ ፕሪቶርያ ምርኩስ ብምግባር፡ ተዋጋእቲ ወገናት፡ ምስቲ ብላዕለዋይ ፓነል ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተመስረተ ጕጅለ ምክትታልን ምርግጋጽን ክተሓባበሩ ከምዝተሰማምዑ ይጠቅስ። ብተወሳኺ፡ መግለጺን መረጋገጺ ውዕልን እዚ ጕጅለ፡ ምስ ክልቲኦም ወገናት ብምምኽኻር ክዳሎ ከምዘለዎ የመልክት። እዚ ሰነድ፡ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት ሚድያ ብኸመይ ክጥቀሙ ከም ዘለዎም እውን ከም ሻድሻይ ነጥቢ ኣቐሚጡ’ሎ። በዚ መሰረት እቲ ሰነድ፡ ተዋጋእቲ ወገናት ብመሰረት ዓንቀጽ 3ን ዓንቀጽ 12ን ስምምዕ ፕሮቶርያ፡ ዝቈጻጸርዎም ሚድያታት፡ ኣብ ትግባረ እዚ ስምምዕ ሓጋዚ ተራ ክጻወቱ ከምዘለዎም ብንጹር ይገልጽ። እዚ ዘተ ብላዕለዋይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሰጉን ኣቦሳንጆ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ፡ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ጀነራላት ኬንያን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝተመርሐ እዩ። ኣብዚ ዘተ፡ ኣብ በይነመንግስታዊ ውድብ ምብራቕ ኣፍሪቃ (ኢጋድ) ናይ ተዓዛብነት ግደ ከም ዝሓዘ’ውን ተገሊጹ። እታ ብፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ዝተወከለት ኣሜሪካ፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ግብሪ ክሳብ ዝውዕል ኣብቲ ዞባ ክትጸንሕን እትገብሮ ደገፍ ክቕጽል ምዃኑን ወሃቢ ቃል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ነድ ፕራይስ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ገሊጹ ነይሩ። ነድ ፕራይስ ኣብ መግለጺኡ፡ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ኣብ ትግራይን ጐረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ምቅልጣፍን ተቛሪጹ ዝጸንሐ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ናብ ንቡር ምምላስን ሓደ ካብ ቀንዲ ኣጀንዳታት ልዝብ ናይሮቢ ምዃኑ ኣሚቱ ነይሩ። ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ፈደራል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ እቲ ስምምዕ ሰላም ከምቲ ዝተሓሰበ ንምትግባር ይሰርሕ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ነዚ ድማ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ፈደራል ዝርከቡ ከባቢታት ትግራይ ሓገዝ ይበጽሕ ከምዘሎን መሰረታዊ ኣገልግሎታት በብቕሩብ ስራሕ ይጅምሩ ከምዘለዉን ገሊጹ። ትካላት ረድኤት’ውን ናብ ዞባ ኲናት ንምእታው፡ ረዲኤት ኣዳልየን ፍቓድ ይጽበያ ከምዘለዋ ገሊጸን። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ጥምየት ከም ኣጽዋር ይጥቀመሉ’ሎ ክብል ክኸስስ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተነብረ ዕጽዋ፡  90 ሚእታዊት ህዝቢ ‘ቲ ክልል  ንሓደጋ ተቓሊዑ እዩ። ውድብ ጥዕና ዓለም እውን፡ ድሕሪ እቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት፡ ዛጊት ዝዀነ ዓይነት መግቢ ይዅን መድሃኒት ካብ ናብቲ ክልል ከምዘይኣተወ ሓቢሩ ነይሩ። ዳይረክተር እቲ ውድብ፡ ዶ\/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ \"ሽዱሽተ ሚልዮን ሰባት ብህይወት ክምዘየለዉ ክሳብ ዝርስዑ ንኽልተ ዓመት ካብ ዓለም ተገሊሎም ኣለዉ\" ብምባል፡ ኣገልግሎታት ናብቲ ዝነበሮ ክምለስ ጻውዒት ኣቕሪቡ። ቀንዲ ተዛታዪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ ኣገልግሎት ቴሌኮም፣ ኤሌክትሪክን ባንክን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክጅመር ከም ዝግባእ ብምግላጽ፡ ዘድሊ ጻዕሪታት ይግበር ከምዘሎ ገሊጹ። ቅድሚኡ ግን \"ህዝብና መጀመርያ መግብን መድሃኒትን የድልዮ፡ ንሕና ድማ ከምኡ ንምግባር ንጽዕር ኣለና\" ኢሉ። ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ መፋርቕ እዚ ሰሙን ክኣቱ ክፍቀደሉ ምዃኑ ኣምባሳደር ሬድዋን ከም ዝገለጸ ኣሶሸይትድ ፕረስ ሓቢሩ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c90y5yx2q3wo"} {"headline":"ኣንቶኒ ብሊንከን ብዛዕባ እቲ ዘተ ሰላም ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ተዘራሪቡ","content":"ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ከምዝተዘራረበ ገሊጹ። ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ፡ ትማሊ ሰሉስ 15 ጥቅምቲ 2015 (ኣቆጻጽራ ግእዝ) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሊንከን እቲ ግጭት ብቕልጡፍ ደው ብዛዕባ ዝብለሉ ኣገባብ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ከምዝተዘራረበ ሓቢሩ። ብተወሳኺ፡ ብሊንከን ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶን ሚኒስተር ኣህጉራዊ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ደቡብ ኣፍሪቃ ፓንዶርን እውን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ከምዝተዘራረበ ገሊጹ። እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣብ መግለጺኡ፡ ነቲ ግጭት ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምርካብ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ምምኽኻር ክቕጽል እየ ኢሉ። ወተሃደራዊ ስጉምቲ ነቲ ግጭት መፍትሒ ከምዘይከውን ዝገለጸ ኣንቶኒ ብሊንከን እቲ ልዝብ ሰላም ንኹሉ ኢትዮጵያዊ ቀጻሊ ሰላም ከምጽእ ተስፋ ዘለዎ መገዲ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ። ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝግበር ዘተ ሰላም፡ ትማሊ ሰሉስ ከምዝተጀመረ ተገሊጹ’ዩ። ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣሜሪካ፡ ሕቡራት ሃገራትን ምትሕግጋዝ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃን (ኢጋድ) ከም ተዓዘብቲ ይሳተፉ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ እዩ። ኣቦ መንበር ናይቲ ነቲ ዘተ ሰላም ዝመርሕ ዘሎ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቶ ሙሳ ፋኪ መሓመት፡ እቲ ሕብረት፡ ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ሰላም፡ ዝኣተውዎ ግጭት ፖለቲካዊ ፍታሕ ንኽረክብ ዝገብሮ ፃዕሪ ከምዝጀመረ ኣብቲ መግለጺ ሓቢሩ። ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም ክዘራረቡሉ ዝኽእሉ ጉዳያት ብግልፂ እኳ እንተዘይኣፍለጡ፡ ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ፕሮፌሰር ክንደያ ግን፡ እቲ ግጭት ብቕልጡፍ ምቁራጽ፡ ደረት ኣልቦ ሰብኣዊ ረድኤት ምሃብን ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹን ዝብሉ ኣብቲ ዘተ ዝለዓሉ ህጹጽ ጉዳያት ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ እዩ። መንግስቲ ፌደራል ግን ብወገኑ ቅድሚ ሕጂ፡ \"ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት\" ንዝርርብ ድሉው ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ። ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ትማሊ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ብሓልዮት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም ብሓጎስ ከምዝቕበሎ ኣንቶኒ ብሊንከን ገሊጹ’ዩ። ስለዚ ኣብቲ ዘተሰላም ዝሳተፉ ዘለዉ ተዛተይቲ እቲ ግጭት፡ ናይ መወዳእታ ፍታሕ ንክረክብ ትኹረት ገይሮም ንኽዛተዩ እቲ ሚኒስተር ኣተሓሳሲቡ። እቲ ግጭት ብቕልጡፍ ምቁራጽ ቀዳምነት ክወሃቦ ከምዘለዎ ዝሓበረ እቲ መግለጺ፡ እቶም ተደራደርቲ ነቶም በቲ ኲናት ዝተሃሰዩን ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮምን ሰባት፡ ደረት ኣልቦ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክወሃብ፡ ​​ድሕነት ሲቪላውያን ንምሕላው ስጉምትታት ንክወስዱ፡ ከምኡ’ውን ሓይልታት ኤርትራ ካብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንኽወጹ ክሰማምዑ ጸዊዑ። ደቡብ ኣፍሪካ ነዚ ናይ ሰላም ልዝብ ብምውዳባ ዘድነቐ እቲ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ፡ ነቲ ዘተ ዝመርሕዎ ዘለው፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ኤሊሰጉን ኦባሳንጆ፡ ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ማላምቦ ንግኩካን ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታን ዘለዎ ድጋፍ'ውን ወሲኹ ይገልጽ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crgndz5z4n4o"} {"headline":"ኣፍሪቃ፡ ወተሃደራዊ ዕልዋ እናበዝሐ ዶ ይመጽእ ኣሎ?","content":"ኣብ ኣፍሪቃ፡ ድሕሪ ናጽነት ሃገራት ኣብ ዝነበረ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ወተሃደራዊ ዕልዋ ልሙድ ተርእዮ እዩ ነይሩ። ሕጂ ግን ዝያዳ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላው ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ኰይኑ ኣሎ። ኣብዚ ዓመት እዚ፡ ኣብ ቡርኪናፋሶ ክልተ ግዜ ዕልዋ መንግስቲ ተራእዩ። ኣብ ጊኒ ቢሳው ድማ ሓደ ዝፈሸለ ዕልዋ መንግስቲ ርኢና። ኣብ 2021፡ ኣፍሪቃ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ክነጻጸር እንከሎ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ምልክታት ዕልዋ መንግስቲ ርእያ ኣላ። ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ማሃማት፡ እቲ ብተደጋጋሚ ዝረአ ዘሎ \"ዘይሕጋዊ ሕገመንግስታዊ ለውጥታት\" ከም ዘተሓሳሰቦ ገሊጹ። እቲ ቐዳማይ ትርጕም፡ ዕጡቓት ወይ ወተሃደራት፡ ንሰበ ስልጣን ብሓይልን ብዘይ ሕጋዊ መገድን ካብ ሓላፍነቶም ክኣልዩዎም እንከለው እዩ። ጆናታን ፓወልን ክለይተን ትይንን ዝተባህሉ ክልተ ኣሜሪካውያን ተመራመርቲ ዝገበርዎ መጽናዕቲ፡ ካብ 1950ታት ንደሓር ኣብ ኣፍሪቃ ልዕሊ 200 ተመሳሳሊ  ፈተነታት ዕልዋ ከም እተገብረ ሓቢሮም። ዳርጋ ፍርቂ ካብቲ ተዓዊቱ ዝበሃል ፈተነታት ከኣ ንልዕሊ ሸውዓተ መዓልቲ ከምዝጸንሐ እዩ ዝግለጽ። ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ቡርኪናፋሶ፡ ትሽዓተ ዕውት ዕልዋ መንግስቲ ተኻይዱ። ሓንቲ ዕልዋ ጥራሕ እያ ፈሺላ። እቶም ኣብ 2017 ኣብ ጉዳይ ፕረዚደንት ሙጋበ ጣልቃ ዝኣተዉ ሰራዊት ዚምባብወ ነቲ ኵነታት ከም ዕልዋ ኣይርእይዎን እዮም። ኣብቲ ዓመት እቲ  ወተሃደራት ዚምባብወ፡ ነቲ ን37 ዓመት ሰሪቱ ዝጸንሐ ግዝኣት ሮበርት ሙጋበ ኢዶም ብምትእትታው ኣተሃዳዲኦምዎ። ሽዑ ሓደ ካብቶም መራሕቲ ሜጀር ጀነራል ሲቡሲሶ ሞዮ፡ ኣብ ተሌቪዥን ቀሪቡ ስጕምቲ ከምዝወስድ ሓቢሩ፤ ግን ከኣ ኢድ ኣእታውነት ወተሃደራት ዕልዋ ከምዘይኰነ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መራሕ ጫድ ኢድሪስ ደቢ ድሕሪ ምማቱ፡ እቲ ሰራዊት ንወዱ፡ ከም ግዝያዊ ፕረዚደንት ብምሻም ንመሰጋገሪ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ክመርሕ ምስ ሸሞ፡ ተቓወምቱ፡ እዚ ንግስነታዊ ውርሻ እዩ ክብሉ ገሊጾምዎ። ጆናታን ፖወል፡ \"መራሕቲ ዕልዋ፡ ኵሉ ሳዕ ተግባራቶም ሕጋዊ መሲሉ መታን ክርአ ነቲ ዝገበርዎ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ይኽሕድዎ እዮም” ይብል። ኣብ ኣፍሪቃ ካብ 1960 ክሳብ 2000 ኣብ ዝነበረ ኣርባዕተ ዓሰርተ ዓመታት፡ ብገምጋም ኣርባዕተ ግዜ ኣብ ዓመት ተኻይዱ። ጆናታን ፓወል፡ “እቲ ጉዳይ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝነበረ ዓመታት ዝተራእየ ዘይምርግጋእ ብዙሕ ዘገርም ኣይኰነን” ይብል። \"ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ድኽነትን ድዅም ቊጠባዊ ኵነታትን ብዝኣመሰለ ጉዳያት እዩ ዕልዋ መንግስቲ ዝካየድ። ሓንቲ ሃገር ሓንሳእ ዕልዋ መንግስቲ እንተጋጢምዋ ከኣ ብተደጋጋሚ እዩ ዘጋጥማ” ይብል። ክሳብ 2019 ኣብ ዝነበረ ዕስራ ዓመታት ግን እቲ ዕልዋ መንግስቲ ዓመታዊ ናብ ክልተ ሳዕ ፈተነ ዕልዋ ወሪዱ እዩ። ኣብ 2020 ሓንሳብ ኢና ዕልዋ መንግስቲ ርኢና።  ኣብ 2021 ግን ብገምጋም ሽዱሽተ ሳዕ ፈተነ ዕልዋ ተመዝጊቡ’ሎ ። ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ ኣብ ጫድ፡ ማሊ፡ ጊኒን ሱዳንን ዕዉት ፈተነ ዕልዋ ተኻይዱ። ኣብ ኒጀርን ሱዳንን ግን ዘይዕዉት ወተሃደራዊ ፈተነ ተኻይዱ። ኣብ መስከረም 2021፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ፡ \"ወተሃደራዊ ዕልዋ ይምለስ ኣሎ\" ብምባል ሻቕሎቱ ድሕሪ ምግላጽ፡ ወተሃደራዊ ዕልዋ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ማሕበረ-ሰብ ዓለም ሓድነት ብዘይምህላው ወቒሱ። \"ጂኦ-ፖለቲካዊ ምክፍፋል ንኣህጉራዊ ጥምረት የዳኽሞን ናይ ዘይምትእምማን ስምዒት ይፈጥርን ኣሎ” ኢሉ። ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ማእከል ስትራተጂያውያንን ኣህጉራውያንን መጽናዕትታት ዝነጥፍ ጁድ ዴቭርሞንት፡ መራሕቲ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ኣብ ዝዳለዉሉ እዋን ብዙሕ ሕድገታት እዮም ዝገብሩ ዝብል እምነት ኣለዎ። ወዲ መራሕ ጫድ ማህማት ኢድሪስ ዴቢ ኢትኖ ኣብ ሚያዝያ 2021፡ ድሕሪ ሞት ኣቦኡ መራሒ ጫድ ንክኸውን ተሓጽዩን ኰይኑን። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኩዋዙሉ-ናታል ዝነብር ዱቡሲ ክርስትያን ኣኒ ከምዝበሎ፡ ኣንጻር እቶም ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ውልቀ-መለኽቲ ዝግበር ዘሎ ናዕቢ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዳግማይ ዕልዋ መንግስቲ ንኽምለስ ደፋፊኡ ኣሎ ይብል። \"ህዝባዊ ናዕቢ ብህዝቢ ስለዝግበር ተቐባልነት ዘለዎ ምንቅስቓስ’ኳ እንተዀነ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግን በቲ ወተሃደር እዩ ዝውሰን” ይብል። እታ ዝበዝሐ ዕልዋ መንግስቲ ዝተገብረላ ሱዳን እያ። ካብቲ ዝተገብረ 17 ፈተነ ዕልዋ እቲ ሽዱሽተ ዕውት ነይሩ። ኣብ 2019 እቲ ንኣስታት 30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መራሒ መንግስቲ ዑመር ኣልበሽር፡ ንኣዋርሕ ብዝቐጸለ ህዝባዊ ተቓውሞ ካብ ስልጣን ተኣልዩ። ዑመር ኣልበሽር ብ1989 እዩ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ናብ ስልጣን መጺኡ። ናይጀርያ ድሕሪ ናጽነታ ካብተን ብዕልዋ መንግስቲ ዝፍለጣ ሃገራት እያ። ካብ ጥሪ 1966 ኣትሒዛ ክሳብ ብ1993 ብጀነራል ሳኒ ኣባቻ ዝተታሕዘትሉ እዋን  ሸሞንተ ሳዕ ወተሃደራዊ ዕልዋታት ተኻይድዋ። ይዅን እምበር፡ ካብ 1999 ንደሓር ኣብታ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ኣፍሪቃ፡  ምስግጋር ስልጣን ብደሞክራሲያዊ ምርጫ’ዩ ተኻይዱ። ታሪኽ ብሩንዲ ኣብ ማሕበረሰብ ሁቱን ቱትሲን ብዘሎ ውጥረት እተደረኸ ዓሰርተ ሓደ ዕልዋ መንግስቲ ተራእዩ። ሰራልዮን ካብ 1967 ክሳዕ 1968 ኣብ ዝነበረ እዋን ሰለስተ ሳዕ ዕልዋ መንግስቲ ኣጋጢምዋ። ብድሕሪኡ እውን ካብ 1971፡ 1992፡ 1997 ካልእ ሓሙሽተ ተወሳኺ ፈተነ ዕልዋ ኣጋጢምዋ። ጋና እውን ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ሸሞንተ ሳዕ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ኣጋጢሙዋ። እቲ ቀዳማይ ብ1966 ዝተገብረ ኰይኑ ብንኣሽቱ ወተሃደራት ንክዋሜ ንኩሩማ ካብ ስልጣን ንምእላይ ዝተኻየደ ፈተነ እዩ። ብሓፈሻኡ፡ ኣፍሪቃ ካብ ካልኦት ኣህጉራት ዝበዝሕ ዕልዋ መንግስቲ ኣካይዳ።  ካብተን ካብ 2017 ንደሓር ኣብ መላእ ዓለም እተመዝገባ 14 ዕልዋ መንግስታት፡ ብዘይካ ሓንቲ ኣብ ሚያንማር ኵለን እተን ኣብ 2021 ኣብ ኣፍሪቃ ዝተኻየዳ እየን።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cz7del0lyz0o"} {"headline":"ኣብ ዋዕላ ኣፍሪቃ-ኣሜሪካ እንታይ ክለዓል ይኽእል?","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ዝርከቦም መራሕቲ 49 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሳተፍሉ ካልኣይ ዋዕላ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ሎሚ 4 ታሕሳስ 2015 ክጅምር እዩ። እቲ ሎሚ ሰሉስ ዝጅምር ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሕ ዋዕላ፡ ኣብ ቅልውላው ለውጢ ከባቢ ኣየር [ክሊማ]፡ ሰናይ ምምሕዳር፡ ውሕስነት መግብን ዓለማዊ ጥዕናን ዘጠቓልል ንዓለም ዘጋጥማ ዘሎ ብድሆታት፡ ከምኡ’ውን ምሕያል ዕድላት ንግድን ወፍርን ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ዘተኮረ ክኸውን እዩ። ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ጄክ ሱሊቫን፡ ትማሊ ሰኑይ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “እቲ ዋዕላ... ኣፍሪቃ ቁልፊ ጂኦፖለቲካዊ ተጻዋቲት ምዃና ኣፍልጦ ኣብ ምሃብ ዝተመርኮሰን እዩ። እታ ኣህጉር ንህዝቢ ኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኰነ፡ መጻኢ ዓለም ክትውስን እያ” ኢሉ። 49 መራሕቲ ኣፍሪቃ ከምኡ’ውን ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብቲ ዋዕላ ተዓዲሞም ምህላዎም ሱሊቫን ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺኡ ሓቢሩ። ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጕጅለ ​​20 ቀዋሚ ውክልና ክህልዋ ኣለዎ ዝብል መርገጺ ክድግፍ ትጽቢት ይግበረሉ። ብተወሳኺ ሱሊቫን ፕረዚደንት ባይደን፡ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ \"ቀዋሚ ኣባልነት\" ንዝግበር ደገፍ ሓዊሱ ጽገና ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከምዝድግፍ ገሊጹ። እቲ ፈላሚ ኣጀንዳ ዋዕላ መራሕቲ፡ ኣብ መንእሰያት መራሕቲ ኣፍሪቃን ዲያስፖራን ዘተኮረ ክኸውን እዩ። እዚ \"ምጉላሕ ድምጽታት፡ ዘላቒ ምሕዝነት ምፍጣር\" ብዝብል መሪሕ ቃል ዝካየድ ዋዕላ፡ ኣብ መንጐ ኣፍሪቃውያንን ዲያስፖራታትን ምስታ ኣህጉርን ሰበስልጣን ኣሜሪካን ጥቡቕ ርክብ ዘለዎም ዝምድና ዘጠናኽር ምዃኑ እውን ተገሊጹ ኣሎ። ፕረዚደንት ባይደን ስትራተጂ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ኣብ ዝገለጸሉ እዋን፡ \"ኣፍሪቃዊ ዲያስፖራና ምንጪ ሓይልና'ዩ\" ክብል ኣፍሊጡ። ምስታ ኣህጉር ጥቡቕ ስድራቤታዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ርክብ ዘለዎም ኣስታት ክልተ ሚልዮን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት፡ ካብታ ኣህጉር ከም ባሮት ተዓዲጎም ናብ ኣሜሪካ ዝኣተዉ ደቂ ደቂ ኣፍሪቃውያን፡ ኣብ ምህናጽ እታ ኣህጉር ዓቢ ተራ ዝጻወቱ ዘጠቓልል እዩ። ዋዕላ መንእሰያት መራሕቲ ኣፍሪቃን ዲያስፖራን ኣብ ፈጠራዊ ኢንዱስትሪታትን ከባብያዊ ፍትሕን ዘተኰረ ምዃኑ ካብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ዝተረኽበ መረዳእታ ይሕብር። ምስ ሚኒስተራት ንግዲ ተጠቀምቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ንረብሓ ዕድላት ንግዲ ሃገራት ኣፍሪቃ (AGOA) ብዝምልከት ሎሚ መዓልቲ እውን መደብ ተታሒዙሉ ኣሎ። ብኣምባሳደር ካትሪን ዋት፡ ዝተባህለት ላዕለወይቲ በዓል ስልጣን ፖሊሲ ንግዲ ኣሜሪካ ዝምራሕ እዚ ዋዕላ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኣሜሪካን ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ሴክረታርያት ናጻ ንግዲ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ኢኮኖሚክ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ዝሳተፍሉ እዩ። ኮሚሽን ኣፍሪቃ፡ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃን ዞባዊ ቁጠባዊ ማሕበረሰባትን'ውን ክሳተፉ ምዃኖም ተገሊጹ። ኣብዚ ዋዕላ ብቐንዱ ብዛዕባ ኣተገባብራ ኣጎዋ ኣብ ምሕያል ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ፡ ምስፍሕፋሕ ክልተኣዊ ንግድን ኢንቨስትመንትን፡ ምድጋፍ ዞባዊ ቁጠባዊ ውህደትን ካልኦት ምስ ንግዲ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ዝተኣሳሰሩ ንኽልቲኡ ዝጠቕሙ ጉዳያት ክዛተዩ እዮም። ኢትዮጵያ፡ ምስ ኲናት ትግራይ ዝተተሓሓዘ ጥሕሰት ኣሜሪካ ብምኽንያት ካብ ቀረጽ ነጻ ንግዲ ኣጎዋ ተኣጊዳ ምህላዋ ዝዝከር እዩ። ማሊን ጊኒን እውን ብሰንኪ ስክፍታ ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራሲን ካብ ኣባልነት ተኣልየን እየን። ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ናብ ኮንግረስ ኣሜሪካ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ኢትዮጵያ \"ብደረጃ ዓለም ኣፍልጦ ዘለዎም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺማ\" ክብል ገሊጹ ነይሩ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ዕድላት ኣጎዋ፡ ተረባሕነት ንልዕሊ 200 ሽሕ ትሑት እቶት ዘለወን ስድራቤታት ብፍላይ ድማ ምስቲ ግጭት ምንም ርክብ ዘይብለን ደቂ ኣንስትዮ ዝጸሉ ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኢትዮጵያ ናብ ነጻ ቀረጽ ንግዲ [ኣጎዋ] ክትምለስ እንተዀይና፡ ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙ ግህሰታት ዝምርምር ጕጅለ ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት- ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ምቛሙ ዝዝከር እዩ። ጋዜጣ ሪፖርተር - እንግሊዝኛ፡ ንበዓል ስልጣል ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጠቒሱ ከምዝጸብጸቦ፡ ክኢላታት እታ ጕጅለ ናብታ ክልል ኣትዮም ክምርምሩ ቅድመ ኵነት ከምዝተገብረ ሓቢራ። እቲ ኮሚሽን ዘውጽኦ 19 ገጻት ዝሓዘ ጸብጻብ፡ ገበናት ኲናትን ኣንጻር ሰብኣውነትን ከምዝተፈጸሙን፡ ናብቲ ኲናት ዝተፈጸመሎም ከባቢታት ክልል ትግራይ ክኸዱ ከምዘይተፈቕደሎምን ይዝከር። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ሲቪላዊ ማሕበራት፡ ኣፍሪቃዊ ህዋ፡ ሰላም፡ ድሕንነትን ምሕደራን፡ ጥዕናዊ ምትሕብባር ኣጀንዳ እቲ ሎሚ ዝካየድ ዋዕላ ክዀኑ እዮም። ብዕለት 5 ታሕሳስ 2015 ዝካየድ ዋዕላ፡ ኣብ ጉዳያት ንግዲ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ዘተኰሩ ክዀኑ እዮም። ፕረዚደንት ባይደን ኣብቲ ዋዕላ መደረ ከስምዕ ትጽቢት ይግበር። ኣብ መወዳእታ፡ ሓሙስ 6 ታሕሳስ መዛዘሚ ዋዕላ ክካየድ እዩ። በዚ ድማ፡ ሰናይ ምምሕዳር፡ ዲሞክራሲ፡ ሰብኣዊ መሰላት፡ ፍትሕን ልዕልነት ሕግን፡ ዕብየትን ልምዓትን ኣብ ሰለስተ ክፋላት ተመቒሎም ኣጀንዳታት ኰይኖም ክዝተዩ እዮም። እዚ ዋዕላ ኣሜሪካ ከም ቀንዲ ዓለማዊ መወዳድርታ እትርእያ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ እትገብሮ ወፍሪ ኣብ ዘዕበየትሉ እዋን'ዩ ዝካየድ ዘሎ። ሩስያ ካብ ቻይና ብተወሳኺ፡ ኣብ ዩክረይን እትገብሮ ኲናት ኣፍሪቃ ክትድግፍ ትጽዕር ኣላ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነሓሰ ምምሕዳር ባይደን ንሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝምልከት ሓድሽ ስትራተጂ ሰነድ ኣውጺኡ ነይሩ። እዚ ሰነድ እዚ ንኣገዳስነት እታ ኣህጉር ዘጕልሐ ኰይኑ፡ ምስተን ንርእዮተ ዓለም ኣሜሪካ ዝካፈላ ሃገራት ምትሕብባር ምክልኻል ኣገዳሲ ምዃኑ ጠቒሱ። ፕረዚደንት ባይደን፡ ዝምድና ሃገሩ ምስ ካልኦት ሃገራት፡ እንተላይ ምስ ከም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኣመሰሉ ኣህጉራዊ ትካላት ክሃንጽ ይጽዕር ኣሎ። ብፍላይ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ \"ኣሜሪካ ቀዳመይቲ\" ብምባል ዝተመስረተ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ስዒቡ፡ ፕረዚደንት ባይደን፡ ነቲ ጌጋ ንምእራም ይጽዕር ኣሎ። ፈላማይ ዋዕላ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ኣብ ዘመነ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ናብ ስልጣን ምስ መጸ፡ ግደ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ከምዝነከየ ይግለጽ። ኣብዚ እዋን፡ ካብ ሰበ ስልጣን ምምሕዳር ባይደን፡ ኣሜሪካ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዋ ርክብ ምጥንኻር ከምዘድሊ ይስማዕ ኣሎ። ሱሊቫን፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ \"ምስ ኮንግረስ ብቐረባ ብምስራሕ ኣሜሪካ ኣብ ዝቕጽሉ ሰለስተ ዓመታት ንኣፍሪቃ 55 ቢልዮን ዶላር ክትህብ እያ\" ኢሉ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd12l24rl19o"} {"headline":"ኲናት ትግራይ፡ 'ወግዓዊ ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት' ክግበር ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ተሰማሚዖም። 'ክልቲኦም ወገናት ወግዓዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ከካይዱ ተሰማሚዖም ኣለዉ' ክብል ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሶጉን ኦባሳንጆ ኣብ ፕሪቶርያ ኣብ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። \"ኣብ ባይታ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ዕጡቓት ህወሓት ብረቶም ኣውሪዶም ናብ ማሕበረሰብ ተመሊሶም ንክጣየሱ ተሰማሚዕና\" ክብሉ ክልቲኦም ኣብ ዘውጽእዎ ሓበራዊ መግለጺ ኣፍሊጦም። \"ተጻባኢ ፕሮፓጋንዳ ንምቁራጽ\" ተሰማሚዖም ከምዘለዉ'ውን ገሊጾም ኣለዉ። ነቲ ሓሙስ 3 ሕዳር ካልኣይ ዓመቱ ዝመልእ ኲናት ትግራይ ንምፍታሕ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ቀጥታዊ ዘተ ሰላም ኣብ መንጎ ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ክካየድ ምጽንሑ ይፍለጥ። እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ክካየድ ዝጸንሐ ልዝብ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦባሳንጆ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡህሩ ኬንያታን ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ዶክተር ፑምዚለ ምላምቦ-ንጹካን ክምራሕ ዝጸንሐ'ዩ። እቲ ጉጅለ ተግበራውነት እቲ ሎሚ ዝፍረም ዘሎ ስምምዕ ንምርግጋጽ ክካታተል ምዃኑ ኣብቲ እቶም ኣዛተይቲን ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተረኽብሉ ጋዜጣዊ መግለጺ ተገሊጹ። መራሒ ጉጅለ ልኡኽ ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ \"ሕድገታት\" ከምዝገበሩ ተዛሪቡ። እቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ክትርጎም ዝተማሕጸነ ጌታቸው፡ እቲ ኩናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘውረዶ ጉድኣት ዓቢ ምዃኑ ኣብሪሁ። መራሒ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴን ብወገኑ፡ እቲ ስምምዕ ከምዘሐጎሶ ብምግላጽ ንሕብረት ኣፍሪቃን እቶም ኣሻማገልቲን ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብቲ ናይ ፌርማ ጽንብል ኣብ ዘስምዓቶ ቃል፡ \"ኣብዚ ክፍሊ'ዚ እታ ዝለዓለ እፎይታ ዝረኸበት ሰብ ኮይነ ኣለኹ\" ክትብል በቲ ስምምዕ ዝተሰምዓ ሓጎስ ገሊጻ። ስምምዕ ምቀራጽ ተጻብኦታት ብምግባሮም \"ንመራሕቲ ክልቲኦም ወገናት እንቋዕ ኣሓጎሰኩም\" ድሕሪ ምባል፡ ፕረዚደንት ሲሪል ራማፖዛ ሃገሩ ነቲ ዘተ ሰላም ከተአንግድ ብምፍቃዱ ንኢዳ። እቲ ጽባሕ ሓሙስ ካልኣይ ዓመቱ ዝመልእ ዘሎ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ምፍንቓልን ጥምየት ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ምስዓቡ ይፍለጥ። ብሰንኪ'ቲ ኲናት፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ምቕታሎም ይግለጽ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3gk2n735jyo"} {"headline":"ኲናት ትግራይ፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሰጉን ኦባሳንጆ ምስ ዶ\/ር ደብረጽዮን ተራኺቡ","content":"ንኲናት ትግራይ ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ዝተመዘዘ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሰጉን ኦባሳንጆ ምስ መራሕቲ ትግራይ ከምዝተራኸበ ተገሊጹ። ሎሚ ሰሉስ፡ ኣብ ትግራይ ምብጻሕ ዘካየደ ኦባሳንጆ ምስ መራሒ ህወሓት ዶ\/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ከምዝተዘራረበ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰብመዚ ትግራይ ዝኾነ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብትዊተር ሓቢሩ። እቲ ኣብ መንጎ'ቲ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃን ዶክተር ደብረጽዮንን ዝነበረ ልዝብ ብዛዕባ \"ዞባዊ ጉዳያት\" ኢሉ ካብ ምጥቃስ ዘሊሉ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን። ኦባሳንጆ ቅድሚ ሕጂ'ውን ናብ ትግራይ ብምኻድ ነቲ ንኣስታት 19 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ብሰላም ንምፍታሕ ምስ መራሕቲ ትግራይ ክዘራረብ ምጽንሑ ይዝረብ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ናይጀርያ ብምብጻሕ መራሕቲ እታ ሃገር ተዘራሪቡ ነይሩ። እተንኾነ ግን፡ ኣብቲ ርክብ ጉዳይ ኲናት ትግራይ ተላዒሉ እንተነይሩ ዝተገልጸ ነገር የለን። ድሕሪ ሒደት መዓልታት'ውን፡ ብቐዳም 28 ግንቦት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ኬንያ ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ብዛዕባ \"ክልተኣዊ ጉዳያት ሰላምን ልምዓትን፡ ከምኡ'ውን ዞባዊ ጉዳያት\" ከምዝተዘራረበ ቤት ጽሕፈቱ ገሊጹ ነይሩ። ኬንያ ምስ ኣመሪካ ብምትሕብባር፡ ንኲናት ትግራይ ንምፍታሕ ተበግሶታት ክትወስድ ምጽንሓ ይግለጽ። እንተኾነ ግን፡ ብዛዕባ'ቲ ክግበር ዝጸንሐ ዝርርባት ዝተዋህበ ወግዓዊ ዝርዝር ሓበሬታ የለን። ኦባሳንጆ፡ ምስ ሰበስልጣን ፈደራላዊ መንግስቲን ሰብመዚ ጎረባብቲ ክልላትን ክዘራረብ ምጽንሑ'ውን ይፍለጥ። መራሕቲ ትግራይ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ሓደ ከሲሶም ኣለዉ። ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብሰኑይ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ገለ ኣሃዱታት ሰራዊት ኤርትራ ብ24 ግንቦት ኣብ ከባቢ ዓዲ-ኣውዓላ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙን ብሓይልታቶም ከምዝበርዓነን ጠቒሱ። ብወገን ኤርትራ ብዛዕባ'ዚ ኣቶ ጌታቸው ዝጠቐሶ ረጽሚ ዝተዋህበ መግለጺ'ኳ እንተዘየለ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን ህወሓት ንዳግማይ ኲናት ወተሃደራዊ ምድላዋት ይገብር ከምዘሎ ሰብመዚ ኤርትራ ገሊፆም ነይሮም'ዮም። ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶ\/ር ለገሱ ቱሉ ብወገኑ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብዛዕባ'ቲ ዝተባህለ ናይ ኤርትራ መጥቃዕቲ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ብምግላጽ፡ \"ሰራዊት ኤርትራ ግና መጥቃዕቲ ክፍጽም ኣይክእልን\" ኢሉ። መራሕቲ ህወሓት \"ባዕሎም ንኲናት ይዳለዉ ስለዘለዉ፡ ንማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋር ዝፈጠርዎ\" እዩ ብምባል ድማ ንመግለጺ ኣቶ ጌታቸው ነጺግዎ። ኣብዚ ቀረባ እዋናት ብወገን ኤርትራ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ክወሃብ ዝጸንሐ መግለጺታት፡ ዳግማይ ውግእ ከይውላዕ ስግኣታት ፈጢሩ ጸኒሑ'ዩ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61650745"} {"headline":"መራሕቲ ትግራይ፡ ጻውዒት ዘተ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ተቐቢሎም","content":"መራሕቲ ትግራይ፡ እቲ ሕጂ ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ብሰላማዊ መገዲ ንኽፍታሕ ድሉዋት ምዃኖም ብምግላጽ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ንዘቕረቦ ሓድሽ ጻውዒት ከም ዝተቐበሉ ኣፍሊጦም። ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ትማሊ ረቡዕ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ናብቲ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ዝግበር ዘተ ብምዕዳሞም ኣመስጊኑ። ኣቐዲሙ፡ ብ11 መስከረም 2022፡ መራሕቲ እቲ ክልል ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ'ውን፡ ነቲ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ልዝብ ምቹእ ኵነታት ንምፍጣር ህጹጽ ሓባራዊ ስምምዕ ብምግባር፡ ግጭታት ንምቍራጽ ከም ዝሰማምዑ ብምሕባር ነዚ ስዒቡ ኣብ ዝካየድ ልዝብ ንምስታፍ ድልዋት ምዃኖም ኣረጋጊጾም ነይሮም። መንግስቲ ፌደራል ብወገኑ፡ ምስ መራሕቲ ትግራይ ብቐጥታ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምዝታይ ብሕብረት ኣፍሪቃ ንዝቐረበሉ ሓድሽ ጻውዒት ከም ዝተቐበሎ ገሊጹ ኣሎ። ኣማኻሪ ጉዳያት ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴን ትማሊ ረቡዕ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ ጻውዒት፡ ዘተ ብዘይ ቅድመ ዅነት ክካየድ ንዝብል መትከል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሰማማዕ ምዃኑ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተቐበሎ ሓቢሩ። እዚ ኲናት፡ ዳግም ቅድሚ ምውልዑ ንኽልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት ንምሽምጋል ኣዋርሕ ዝወሰዱ ጻዕርታት'ኳ እንተተገብሩ፡ እቲ ደማዊ ኲናት ደው ከብል ዘኽእል ውጽኢት ግን ኣይተረኽበን። ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ሰላማዊ መፍትሒ ንምርካብ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ንቐጥታዊ ዘተ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክራኸቡ ዕድመ ከም ዝለኣኸ ይፍለጥ። ዶ\/ር ደብረጽዮን ኣብ ደብዳበኡ፡ ናብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ልዝብ ልኡኻት ንምስዳድ ድሉዋት ኢና ኢሉ። ይዅን እምበር እቲ ሕብረት ብዛዕባ እቲ ዝተሓስበ ዘተ ኣቐዲሙ ከም ዘየማኸሮም ብምግላጽ፣ ኣብቲ ዘተ ብዛዕባ ዝህልዉ ካልኦት ተዋሳእቲ፡ ተዓዘብቲ ወይ ኣውሓስቲ ኣካላትን፡ ንተራ ማሕበረሰብ ዓለም ዝተሓስበን ብዝምልከት፣ ከምኡ'ውን ንጕዕዞን ጸጥታ ተዛታዪ ጕጅለ ዝምልከቱ ነጥብታት ጠቒሱ መብርሂ ንኽወሃቦም ሓቲቱ’ሎ። እቲ ብዋና ጸሓፊ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተጻሕፈ ደብዳበ፡ ዘተ ሰላም ክልቲኦም ወገናት ካብ ሰንበት 8 ጥቅምቲ 2022 ጀሚሩ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ምዃኑ ዘመልክት እዩ። እንተዀነ ግን ቢቢሲ ዝረኣዮ ካብ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ተላኢኹ ዝተባህለ ደብዳበ፡ እቲ ዘተ ዝጅምረሉ መዓልቲ ሰንበት 8 ጥቅምቲ ምዃኑ'ኳ እንተተመልከተ’ኳ፡ ሰንበት ግን 9 ጥቅምቲ እዩ ዝውዕል። ብኻልእ ወገን ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንሓያሎ ሰሙናት ኣብቲ ክልል ተዓጽዮም ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ብሰላም ይወጽኡ ከም ዘለዉ ተገሊጹ። ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፊስ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ትማሊ ሰሉስ ብሰላም ካብ ትግራይ ክወጹ ከም ዝኸኣሉን ተወሳኺ ምንቅስቓሳት ብዘይ ገለ ጸገም ክቕጽል ተስፋ ከም ዘለዎምን ኣብ ትዊተር ገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ሓደ በዓል ስልጣን ሕቡራት ሃገራት፡ ነቶም ሰራሕተኛታት ረድኤት ኣብ ቀረባ እዋን ንምትካእ ተስፋ ዘለዎም’ኳ እንተዀነ ዛጊት ዝተቐመጠ ፍሉይ ዕለት ግን ከምዘየለ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ኣብ ትግራይ ዝነብሩ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ህጹጽ ረድኤት ከምዘድልዮም ይፍለጥ። እቲ ሓላፊ፡ ፌደራል መንግስትን መራሕቲ ትግራይን፡ ሓገዝ ዳግማይ ክጅመር ክፈቕዱን፡ ውሕስነትን ድሕነትን ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ከረጋግጹ ኣተሓሳሲቡ’ሎ። ሕቡራት ሃገራት ካብ 18 ነሓሰ 2014 ዓ.ም [ግእዝ] ጀሚሩ፡ ብሰንኪ እቲ ዳግማይ ዝተወልዐ ኲናት ኣብቲ ክልል ዝገብሮ ዝነበረ ‘ኣዝዩ ኣገዳሲ’ ዝብሎ ሓገዝ ከም ዘቋረጸ ኣፍሊጡ ነይሩ። ብተወሳኺ፡ ካብ 19 ነሓሰ ጀሚሩ ናብ ትግራይ ዝግበሩ ኣገደስቲ በረራታት ሰብኣዊ ረድኤት ደው ከም ዝበለ ሓቢሩ እዩ። ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ረቡዕ 18 ነሓሰ 2014 ዓ.ም፡ እቶም ተጻባእቲ ኣካላት፡ ከም ብሓድሽ ናብ ግጭት ከም ዝኣተዉ ይዝከር። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከበድቲ ውግኣትን ሰፊሕ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳትን ይካየድ ከም ዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ። እቲ ጎንጺ ዳግማይ ምልዓሉ፡ ነቲ ንሚልዮናት ዜጋታት ዝወሃብ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ክብል ጠንቂ ከምዝኰነ ዝገልጽ እቲ ውድብ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ክበጽሕ እንተዘይክኢሉ ሚልዮናት ንሓደጋ ጥሜት ከምዝቃልዑ ብተደጋጋሚ ከጠንቅቕ ጸኒሑ እዩ። ብሰንኪ'ቲ ኲናት፡ ሚልዮናት ሰባት ኣደዳ ጥምየት ክዀኑ እንከለዉ፡ ንዓጸቦ ዝተቓልዑ'ውን ውሑዳት ኣይኰኑን። ብፍላይ ኣብታ ኣብ ምሉእ ዕጽዋ እትርከብ ክልል ትግራይ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት፡ ባንክ፡ ተሌፎን፡ መብራህቲን መጓዓዝያን ብምቍራጹ ነበርቲ እታ ክልል ንሕሰም ተቓሊዖም ይርከቡ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cp4z8z2w1r0o"} {"headline":"ሓደ ዕላማ ዘተ ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ንክወፅእ ምዃኑ ኣሜሪካ ገሊፃ","content":"ኣሜሪካ ሓደ ካብቶም ዕላማታት እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ልዝብ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ንክወፅእ ምዃኑ ገሊጻ። ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይስ ትማሊ ሰኑይ 01 ሕዳር 2022 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ተጻባእቲ ወገናት ዘካይድዎ ዘለዉ ዘተ ሰላም ኣርባዕተ ጉዳያት ንምዕዋት ዝዓለመ ከምዝኾነ ሓቢሩ። ዕላማታት እቲ ዘተ፡ እቲ ኵናት ብቕልጡፍ ከብቅዕ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ነቶም ዘድልዮም ክበጽሕ ምግባር፣ ድሕንነት ሰላማውያን ሰባት ንምርግጋፅ ተወሳኺ ስጉምትታት ምውሳድን፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንኽወፅእን ምዃኑ እቲ መግለፂ ይጠቅስ። ኔድ ፕራይስ ኣብ መግለጺኡ፡ ፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ‘ተሳታፍን ተዓዛብን’ ኰይኑ ከምዝቕጽል’ውን ሓቢሩ። ንሱ ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ዘተ ክልቲኦም ሓይልታት ፍልልያቶም ኣጽቢቦም፡ ኣብተን ኣርባዕተ ሸቶታት እወንታዊ ለውጢ ንምምጻእ ዕድል ክህቦም ኣሜሪካ ተስፋ ከምዘለዋ ገሊጹ። ውድብ ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ (ኢጋድ)፣ ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ኣሜሪካን ከም ተዓዘብቲ ይሳተፉ ምህላዎም ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ። ዛጊድ ግና ኣጀንዳ ናይቲ ዕፁው ኣኼባታት ኣብ ምንታይ ደረጃ ከም ዝበፅሐ ዝፍለጥ ነገር የለን። እንተኾነ፡ ኣብ መዛዘሚ እቲ ብብዙሕ ዘይተመለሱ ሕቶታት ዝተኸበበ ልዝብ፡ ሓበራዊ መግለፂ ክወሃብ ትፅቢት ይግበር። እቲ ዘተ ሰላም ትማሊ ሰንበት 30 ጥቅምቲ ክዛዘም ትፅቢት ተገይሩ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ዝተመደበሉ ግዘ ስለዘይተዛዘመ ግና ክሳብ ረቡዕ ከምዝቕጽል ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት። ኔድ ፕራይስ፡ እቲ ዝርርብ ኣብ ዝተመደበሉ ግዘ ክዛዘም ዘይምኽኣሉ፡ መንግስቲ ፌደራልን ትግራይን፡\"ረቂቅ\" መርገጺ ሒዞም ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዘምርሑ ዘመልክት እዩ ኢሉ። እንተኾነ፡ መንግስቲ ፌደራልን ትግራይን ነቲ ዘተ ምቕጻሎም \"ንምዝታይ ዘለዎም ድልውነቶም ዘርእይ’ዩ\" ክብል ወሲኹ ገሊጹ። \"ኮፍ ኢሎም ተዛትዮም ፍልልያቶም ዘጽብብሉ ኽኸውን ተስፋ ንገብር\" ኢሉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኲናት ዳግማይ ምልዓሉ ስዒቡ፡ ኣሜሪካ ተኹሲ ደው ክብልን ናብ ልዝብ ሰላም ከምርሑን ክትጽውዕ ጸኒሓ እያ። ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ንክልተ ዓመታት ዝጸንሐ ደማዊ ኲናት ንምቁራጽ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ዕዉት ክኸውን ትጽቢት ይግበር። ብሰንኪ’ቲ ንክልተ ዓመት ዝቐፀለ ደማዊ ኲናት፡ ትግራይ፡ ሰላም ርሒቝዋ፣ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝፀሩ ነበርታ ረጊፎም፣ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ተመዛቢሎም፣ ንሕልና ዝኸብዱን ንሰማዒ ዘሰንብዱን ግፍዕታት ተፈፂሞምዋ እዮም።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cjqw4q7yxpjo"} {"headline":"ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ መራሕቲ ኣፍሪቃ ንዝፍጸሙ ዘለው ዕልዋታት ተቓዊሞም","content":"መራሕቲ ኣፍሪቃ ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተፈጸሙ ሓሙሽተ ዕልዋታት መንግስቲ፡ ነቲ ዝረኣ ዘሎ \"ማዕበል\" ዕልዋታት ተቓዊሞም። ምስ ምርጫን ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣንን ብዝተኣሳሰር ኣብ ኣፍሪቃ ብርክት ዝበሉ ዕልዋታት መንግስቲ ይርኣዩ ኣለው። ኣብ ቀረባ፡ ሰራዊት ጉጅለታት ራዕዲ ዝፍጽሙዎ መጥቃዕታት ክሽገራ ዝጸንሓ ሃገራት ቡርኪናፋሶን ማሊን ዕልዋ ፈጺሞም ስልጣን ተቖጻጺሮም'ዮም። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጒኒ-ቢሳው'ውን ዕልዋ መንግስቲ ከምዝተፈተነን፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር እቲ ፈተነ ዕልዋ ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ዕጸ ፋርስ ከምዝተፈጸመ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ጋና ናና ኣኩፎ-ኣዶ፡ እቲ ኣብ ማሊ ዝተፈጸመ ዕልዋ ኣዘዝቲ ወተሃደራት፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ንዘለዋ ሃገራት ዘተበባብዐ \"ለብዒ\" ኮይኑ ክብል ገሊጽዎ። እንተኾነ፡ ዜጋታት ሃገራት እቲ ዞባ በቶም ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝተፈጸሙ ዕልዋታት ሕጉሳት ኮይኖም ተቐቢሎምዎ እዮም። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 ኣብ ሱዳን ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ግን እቲ ስልጣን ናብ ስቪላዊ ምምሕዳር ንክምለስ ዝጠልቡ ሰልፍታት ተቓውሞ ክሕይሉ ምኽንያት ኮይኑ እዩ ተራእዩ። እቶም ኣብ ዝሓለፈ ቐዳመ ሰናብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተራኸቡ ኩሎም መራሕቲ ኣፍሪቃ \"ብዘየሻሙ . . . ነቲ ማዕበል ዘይሕገመንግስታዊ ለውጢታት ኮኒኖም\" ክብል ሓላፊ ቤት ምኽሪ ሰላምን ድሕነትን ሕብረት ኣፍሪቃ ባንኮሌ ኣዶዬ ተዛሪቡ። ድሕሪ እቲ ኣብ ቡርኪናፋሶ፣ ጒኒን ማሊን ሱዳንን ዝተኻየዱ ዕልዋታት፡ እቲ ሕብረት ነተን ሃገራት ካብ ኣባልነት ኣጊዱወን እዩ። እዚ ኣብ ውሽጢ 12 ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ሃገራት ዝተወስደ ስጉምቲ ንፈለማ እዋን ምዃኑ ተገሊጹ። ይኹን'ምበር፡ እቲ ሕብረት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዚያ ፕረዚደንት ጫድ ኢድሪስ ዴቢ ምስ ዕጡቓት ኣብ ዝኻየድ ዝነበረ ጎንጺ ድሕሪ ምቕታሉ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ብዘይምውሳዱ ይንቀፍ። ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ 1960ታን 1970ታትን ኣብ ዘለው ዓመታት ድሕሪ ዝነበሩ ናይ ናጽነት ዓመታት ኣትሒዞም ብርክት ዝበሉ ዕልዋታት ክካየደለን እንከሎ፡፡ ካብ 1990ታት ጀሚሩ ግን ምንካይ ኣርእዩ እዩ። ኣብ መጀመርታ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት እዚ ክፍለ ዘመን፡ ሸሞንተ ዕልዋ መንግስቲ ክፍጸም እንከሎ ካብ 2020 ጀሚሩ ግን ድሮ ሽዱሽተ ዕልዋ መንግስቲ ተፈጺሙ ኣሎ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60284567"} {"headline":"ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ኣብ ዘተ ሰላም ንምስታፍ ንደቡብ ኣፍሪቃ ኣቕኒዖም","content":"ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጲያ ሰላማዊ መዕለቢ ንኽረከብ፡ ብመንጐኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ሎሚ 24 ጥቅምቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየድ ልዝብ ንምስታፍ ወከልቲ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ንደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዘቕንዑ፡ ብኽልቲኦም ወገናት ዝተዋህበ መግለጺ የመልክት። ላዕለዋይ ተዛታዪ ጕጅለ ትግራይ ኣብቲ ዝካየድ ዘተ ንምስታፍ ድሮ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝኣተወ ተፈሊጡ'ሎ። ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ትግራይ ዝዀነ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረህይወት ብሰንበት ብትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ ሓበሬታ፡ “ኣብቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዘተ ሰላም ኢትዮጵያን ትግራይን ዝሳተፍ ልኡኽ መንግስቲ ትግራይ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ በጺሑ ኣሎ፡” ኢሉ። ንሱ “ብቕልጡፍ ተጻብኦ ደው ምባል፡ ዘይተገደበ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይን” ቀዳምነት ክወሃቦም ጸዊዑ ኣሎ። ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ፈደራል ሎሚ 24 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ንግሆ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዝተበገሱ ኣፍሊጡ’ሎ። እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፡ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘተ፡ ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ዘኽእል ዕድል ከም ዝርእዮ ጠቒሱ፡ ኣብቲ ዘተ ክሳተፍ ምዃኑ ኣረጋጊጹ'ሎ። እቲ መግለጺ፡ ንመንግስቲ ወኪሎም ዝሳተፉ ተዛተይቲ ኣይጠቐሰን፤ እንተዀነ ኣቐዲሙ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ደመቀ መኮነን ዝምራሕ ሸውዓተ ኣባላት ከምዘለውዎ ሽማግለ ከም ዝቘመ መንግስቲ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር። በቲ ቅድም ኢሉ ዝተዋህበ መግለጺ መሰረት፡ ወከልቲ መንግስቲ፡ ኣቶ ደመቀ መኮነን፡ ዶ\/ር ጌድዮን ጢሞቲዮስ፡ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ፡ ሌተናል ጄነራል ብርሃኑ በቀለ፡ ዶ\/ር ጌታቸው ጀምበር፡ ኣምባሳደር ሓሰን ዓብደልቓድር ተረቝሖም ምንባሮም ኣይርሳዕን። ብወገን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ'ውን፡ ዶ\/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ንሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳን ኣባል ማእከላይ እዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን ንትግራይ ወኪሎም ኣብ ዘተ ሰላም ንምስታፍ ከምዝተመዘዙ ኣፍሊጡ ነይሩ። ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ዘተ ሰላም፡ ብምኽንያት ሎጅስቲካዊ ጸገማት ምንውሑ ይዝከር። ኣብቲ ዘተ ሰላም ካብ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሴጎን ኦባሳንጆ ብተወሳኺ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታን ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ዶክተር ፉምዚለ ምላምቦ-ናግኩካን ከምዝሳተፉ እውን ተገሊጹ ነይሩ። ብካልእ ዜና ጸሓፊ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ዘተ ሰላም ብዝምልከት ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃን ፕረዚደንት ኬንያን ከምዝዘተየ ትማሊ ብትዊተር ገሊጹ። ምስ ደቡብ ኣፍሪቃዊ መዘናኡ፡ “ዘተ ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ዝዕወተሉ መንገዲ” ከምዝዘተዩ ዝሓበረ ብሊንከን፡ ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ኣብ ዘካየዶ ዘተ ድማ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዞባዊ ሰላም፡ ከምኡ'ውን ጸጥታ ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ንዝጻወቶ ወሳኒ ተራ ናእዳ ከምዘለዎ ገሊጹሉ። ክልቲኦም ወገናት ፍልልዮም ብዘተ ክፈትሑ ማሕበረሰብ ዓለም ጻውዒት ይገብር እኳ እንተ'ሎ፡ ኣብ ባይታ ግን ኲናት ደው ኣይበለን። ኣብ ትግራይ ንዘለዉ መዕርፎ ነፈርቲን ትካላት ፌደራልን ክቈጻጸር ከምዝዀነ ዝሓበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዛጊድ ሽረን ኣላማጣን ዝርከበአን ከተማታት ትግራይ ተቘጻጺሩ ኣሎ። 21 ጥቅምቲ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዝዘተየ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣባል ሃገራት ሓበራዊ ቅዋም ክሕዙ ብዘይምኽኣሎም መግለጺ ከየውጸአ ተበቲኑ። ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቶማስ ሊንዳ ግሪንፊልድ፡ እቲ ባይቶ ሓባራዊ መግለጺ ከውጽእ ብዘይምኽኣሉ ከምዘሕዘና ብምግላጽ፡ ሃገራ ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘተ ሰላም ትድግፍ ከምዘላ ተዛሪባ። ኣምባሳደር ግሪንፊልድ ኣብቲ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት፡ ክሳብ ፍርቂ ሚልዮን ዝበጽሕ ሰባት ከምዝሞቱን፡ ኣሜሪካ ተወሳኺ ጃምላዊ ግፍዕታት ከየጋጥም ኣዝያ ከምዝተሻቐለትን ወሲኻ ገሊጻ። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ብወገኑ፡ “ኵነታት ኢትዮጵያ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ይኸውን ኣሎ” ብምባል ኲናት ብቕልጡፍ ደው ክብል ጸዊዑ እዩ። እቲ ዛጊድ እናጸንከረ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት፡ ሕጂ እውን ምኽንያት ሞትን ምፍንቓልን ሰላማውያን፡ ከምኡ'ውን ዕንወት ንብረትን ትሕተ ቕርጽን ኰይኑ ቀጺሉ ኣሎ። ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ምቝራጽ ተጻብኦ ምፍራሱ ስዒቡ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዘካይድዎ ዘለዉ ኲናት ሎሚ ሰኑይ ክልተ ወርሒ መሊእዎ ኣሎ። እቲ ከም ብሓድሽ ዝተወለዐ ኲናት፡ ኣብታ ንልዕሊ ዓመትን ፈረቓን ኣብ ትሕቲ ጥቡቕ ዕጽዋ ዘላ ትግራይ ንዝጸንሐ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዘጋደዶን ድሮ መግብን መድሃኒትን ይውዳእ ከምዘሎን፡ ነበርቲ ቅድሚ ሰሙናት ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4nrke3dw7do"} {"headline":"ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ኦባሳንጆ ምስ መራሕቲ ትግራይ ኣብ መቐለ ተወሳኺ ርክብ ኣካይዱ","content":"ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ዝኾነ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ናብ ትግራይ ብምኻድ ምስ መራሕቲ ህወሓት ተወሳኺ ዝርርብ ከምዘካየደ ተገሊጹ። ኦባሳንጆ ትማሊ ሰሉስ ናብ ርእሰከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ከምዝኣተወ፡ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብትዊተር ሓቢሩ። \"ምስ መራሒ ትግራይ [ዶ\/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል] ጽቡቕ ምይይጥ ኣካይዶም ክኾኑ ተስፋ እገብር\" ክብል'ውን ጽሒፉ። እቲ ንክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ንምትዕራቕ ዝጽዕር ዘሎ ኦባሳንጆ፡ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ'ውን ብውሕዱ ክልተ ግዜ ናብ መቐለ ብምኻድ ምስ መራሕቲ ትግራይ ተራኺቡ ምንባሩ ይዝከር። እንተኾነ ግን፡ ብወገን መንግስቲ ኾነ ሕብረት ኣፍሪቃ ብዛዕባ'ዚ ናይ ትማሊ ጉዕዞ ዝተዋህበ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን። ኣቶ ጌታቸው ከምዝበሎ ግን፡ ድሕሪ'ቲ ናይ መቐለ ርክብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሱ'ሎ። ኣብቲ ኣብ ትዊተር ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኦባሳንጆ ካብ መቐለ ድሕሪ ምብጋሱ፡ ኣብ ናይ ደቓይቕ ግዜ ኣብ ከተማ መቐለ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝተፈጸመ ጠቒሱ። ብወገን ሰብመዚ ኢትዮጵያ ብዛዕባ'ቲ ደብዳብ ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን። እንተኾነ ግን ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ቀጻሊ ደብዳባት ነፈርቲን ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲን (ድሮናት) ከካይድ ምጽንሑ ይፍለጥ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ናይቶም ብሰንኪ'ቲ ኲናት ዝተፈናቐሉ ሰባት ዝተፈጸመ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ልዕሊ 56 ሰባት ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት ሓቢሮም። ብሰሉስ ድማ ኣብ ማይ-ጸምሪ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ'ውን ብውሕዱ 17 ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ ኣሎ። ቅድሚ'ውን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ-ዓይኒ ሰለሰተ ሰባት ከምዝሞቱ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ነይሩ። ኦባሳንጆ፡ ቅድሚ ሕጂ ምስ መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰብመዚ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ተዘራሪቡ ምንባሩ'ውን ይግለጽ። እዚ ናይ ትማሊ ጉዕዞኡ ግን፡ ሓይልታት ትግራይ ካብተን ጎረባብቲ ክልላት ድሕሪ ምውጽኦም ንፈለማ እዋን'ዩ ተኻይዱ ዘሎ። እቲ ፍሉይ ልኡኽ፡ ክልቲኦም ወገናት ምቁራጽ ተጻብኦታት ከካይዱ ክገብሮ ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ኣይሰለጦን ዘሎ። ነቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንምንዳይ፡ ዝተፈላለዩ ወገናት ጻዕርታት ከካይዱ ምንሖም ይፍለጥ። ድሕሪ ኣስታት ሓደ ዓመት መዝነቱ ዘርክብ ዘሎ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀይኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፈልትማን'ውን ነቲ ግጭት ንምህዳእ ክሰርሕ ምጽንሑ ይፍለጥ። ኣመሪካ፡ ንፈልትማን ብምትካእ ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክኸውን ንኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድ መዚዛ'ላ። ኣምባሳደር ፈልትማን መዝነቱ ቅድሚ ምርካቡ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ብመሰረት ጠለብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ መወዳእታ ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ሰበስልጣን'ታ ሃገር ከምዝተዘራረበ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ተዛሪቡ። ብወገን ኢትዮጵያ ግን ብዛዕባ መገሻ ፈልትማን ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን። ቻይና ብወገና ነቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ጸጥታዊ ብድሆታትን ንምህዳእ ንፈለማ እዋን ፍሉይ ልኡኽ ክትምዝዝ ምዃና ኣብቲ ዞባ ምብጻሕ ከካይድ ዝቐነየ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዋንግ ዪ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ቅትለትን ጥምየትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ይርከብ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59970044"} {"headline":"ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ዝጋደድ ዘሎ ጎንጺ ኢትዮጵያ ከምዘሻቐሎ ገሊጹ","content":"ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሃመት፡ ኣብ ኢትዮጵያ እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ወታሃደራዊ ጎንጺ ከምዘሻቐሎን ብቐረባ ይከታተሎ ከምዘሎን ኣፍሊጡ፡፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ነቲ እቲ ኣቦ መንበር ኣብ መጀመርታ ሰሙን እቲ ኲናት ኣውጺእዎ ዝነበረ መግለጺ ብምዝኽኻር፡ ኩሎም ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ግዝኣታዊ ሓድነትን ሉኣላውነትን እታ ሃገር ክሕልዉ ኣተሓሳሲቡ፡፡ ነቲ ጸገም ሰላማዊ መፍትሒ ንምርካብ ድማ ኩሎም ወገናት ናብ ዘተ ክኣትዉ ጸዊዑ። እቲ ኲናት ብህጹጽ ደው ክብል፣ ህይወትን ንብረት ዜጋታት ሙሉእ ብሙሉእ ክኽበር፣ ከምኡ ድማ መሰረተ ልምዓት መንግስቲ ክሕሎ ሙሳ ፋቂ ሓቲቱ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ተሳተፍቲ እቲ ኲናት፡ ደገፍቶም ኣብ ዘይኮነ ማሕበረሰብ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ከይወስዱ፡ ከምኡ እውን ካብ ናይ ጽላኣት ተረኽ፣ ፍልልይን ጎንጽን ካብ ዘጋድዱ ኩነታት ክቑጠቡ ክገብሩን ኣተሓሳሲቡ፡፡ ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ዓለም ለኻዊ ድንጋገታት ሰብኣዊ መሰል ብምኽባር ብፍላይ ኣብ ሓለዋ ሲቪላትን ንጸገም ዝተቓልዑ ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ክበጽሖም ብምግባር ዓለም ለኻዊ ግዴተኦም ክዋጽእ እውን ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ መልእኽቲ ኣሕሊፉ፡፡ ቅዋም ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ድማ ሓበራዊ ስምምዕ እቶም ኣብቲ ጎንጺ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት መሰረት ዝገበረ ፖለቲካዊ ከይዲ ንምድጋፍ ውፉይ ከምዝኾነ ገሊጹ፡፡ ብተወሳኺ ምስ ተወካሊ እቲ ሕብረት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝኾነ ፕረዚደንት ናይጄርያ ነበር ኦሊሴጎን ኣባሳንጆ ዝካየድ ዘተ ብቕልጡፍ ክጅመር ጻውዒት ኣቕሪቡ፡፡","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59154418"} {"headline":"ቅልውላው ኢትዮጵያ: ሰላም ክወርድ ህወሓት ካብ ዝሓዞም ከባቢታት ክወጽእ ከምዘለዎ መንግስቲ ገሊጹ","content":"ሓደ ዓመት ዘቑጸረ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ደው ክብልን ሰላም ክወርድን እንተዳኣ ተደልዩ ህወሓት ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ክወጽእ ኣለዎ ክብል ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊጹ፡፡ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት መግለጺ ዝሃበ እቲ ወሃቢ ቃል: ሰላም ክወርድ እንተኾይኑ ህወሓት ሰለስተ ነገራት ከማልእ ኣለዎ ኢሉ፡፡ ‘‘ሰላም ንክወርድ’’ እንተኾይኑ ፈለማ ህወሓት ካብ ዝተቖጻጸሮም ከባቢታት ኣምሓራን ዓፋርን ክወጽእ ኣለዎ ዝበለ ኣምባሳደር ዲና፡ ካልኣይ ድማ ንመንግስቲ ፌደራል ሕጋዊ ኣፍልጦ ክህቦን ክቕበሎን ኣለዎ ኢሉ፡፡ ሳልሳይ ድማ መጥቃዕቲታት ምፍጻም ደው ከብል ኣለዎ ክብል ተዛሪቡ፡፡ እዞም ሰለስተ ነገራት ‘‘መደራደሪ ቅደመ ኩነታት ክኾኑ ወይ ዘይክኾኑ ይኽእሉ እዮም’’ ዝበለ ኣፈኛ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተጀመረ ዝርርብ የለን ኢሉ፡፡ ብዛዕባ ድርድር ዝተወሰነ ውሳነ ከምዘየለ እውን ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ፡፡ መንግስቲ ኩሉሻብ ናይ ሰላም ድልየት ከምዘለዎ ዝሓበረ ኣምባሳደር ዲና: ‘‘ድኻ ሃገር ከምዃንና ንልምዓት ኢና ቀዳምነት እንህብ’’ ኢሉ፡፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት መንግስቲ ‘‘ከይደለየ ተገዲዱ ዝኣተዎ እዩ’’ ክብል ድማ ተዛሪቡ፡፡ መራሕቲ ኢትዮጵያ ምስቲ ኣብ ቤት ምኽሪ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ኢሎም ዝበየንዎ ህወሓት ክደራደሩ ከምዘይደልዩ ብተደጋጋሚ ክዛረቡ ተሰሚዖም እዮም፡፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሴጎን ኦባሳንጆ ፡ ኣብ ቀረባ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ህወሓትን ተራኺቡ ምዝታዩ ዝዝከር እዩ፡፡ ኣምባሳደር ዲና ንጉዕዞ እቲ ልኡኽ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኦባሳንጆ ‘‘ኣብ ኣፈናዊ ዳህሳስ ('ፋክት ፋይንዲንግ ሚሽን') እዩ ዘሎ’’ ኢሉ፡፡ ኦባሳንጆ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ መቐለን ካልኦት ከባቢታትን ከምኡ እውን ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ይዛተ ከምዘሎ እቲ ወሃቢ ቃል ሓቢሩ፡፡ ‘‘ብወገን ኢትዮጵያ ዘሎ ቅዋም እንታይ እዩ እንተተባሂሉ፡ ንሕና ንሰላም ሓድሽ ቅዋም የብልናን’’ ዝበለ ኣምባሳደር ዲና፡ መንግስቲ ንሰላም ዕንቅፋት ዝኾኑ ማሕለኻታት ዝውገዱሉ መንገዲ ክፍጠር ድልየት ከምዘለዎ ተዛሪቡ፡፡ ‘‘ንሰላም ዕንቅፋት ዝኾኑ ነገራት እንድሕር ተወጊዶም ናብ ሰላም ዘይንኸደሉ ምኽንያት የብልናን’’ ብምባል ‘‘መስረትቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኢና፡፡ ስምዒት ሕብረት ኣፍሪቃ ንቕበል ኢና፡፡ ጸገማት ንምፍታሕ ብወገን ኣፍሪቃ ዝግበሩ ጻዕሪታት ካብ ዝኾነ ኣካል ንላዕሊ ቀዳምነት ንህብ ኢና፡፡ ነዚ ኢና ንኣፍሪቃዊ ጸገማት ኣፍሪቃዊ መፍትሒ እናበልና ብዙሕ ግዘ ዝደጋገምና፡፡ ስለዚ ኦባሳንጆ ንምንታይ መጺኡ? ንምንታይ ከይዱ ክንብል ኣይንኽእልን’’ ኢሉ፡፡ ቅድም ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ትካላትን ሃገራትን ንዝቐረበሉ ናይ ተዛተዩ ሕቶ፡ ብሽም ሕጊ ምኽባር ይነጽጎን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ እታ ሃገር ከይኣትዉ ይጽውዕን ምንባሩ ዝዝከር እዩ፡፡ ብኻልእ ገጽ: ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰራሕተኛታቱትን ቤተሰቦምን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ዓፋርን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተኣሰሩ ምግላጹ ዝዝከር እዩ፡፡ ኣምባሳደር ዲና ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ሰባት ህጹጽ ኣዋጅ ብምጥሓሶም ከምዝኣሰሩ ተዛሪቡ፡፡ ‘‘ሰራሕተኛ ሕቡራት ሃገራት ይኹን ካልእ ሰብ ናይ ኢትዮጵያ ሕጊ ናይ ምኽባር ግዴታ ኣለዎ፡፡ ሕጊ እንድሕር ዘየኽቢሩ ዝኾነ ይኹን ሰብ ይሕተት እዩ፡፡ ዝተኣሰሩ ኣለዉ፡፡ ናይ ኢትዮጵያ ሕጊ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ብምጥሓስ እዮም ተኣሲሮም’’ ኢሉ፡፡ እንተኾነ ሓይልታት ትግራይ ንከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ድሕሪ ምቁጽጻሮም ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይግስግሱ ምህላዎም ድሕሪ ምግላጾም ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ መሰረት ዝገበረ ጃምላዊ ማእሰርቲ ይፍጽም ከምዘሎ ትካላት ሰብኣዊ መሰልን መሰኻኽር ዓይንን ይኸሱ፡፡","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59252736"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ቅልውላው ትግራይ እንታይ ኢሉ?","content":"ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ እኹል ረዲኤት እኳ እንተዘይበጽሐ ጻዕሪ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ዘተባብዕ እዩ ኢሉ። ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ናይ መጀመርታ ጸብጻብ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጸመ ምህጋስ ሰብኣዊ መሰላት ዘተሓሳስብ እዩ ድሕሪ ምባል፡ ኣባላት ሃገራት እቲ ቤት ምኽሪ ልኡላውነትን ፖሎቲካዊ ናጽነትን ኢትዮጵያ ከምዘኽብራ ሓቢሩ። ወኪል ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት \"ንዝሃቦ ደገፍን ሃኒጺ ርእይቶን\" ኣመስጊኑ። ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዝነበሩ መዓስከራት ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምኽፋቶም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ነቲ ኣብቲ ክልል ዝመርሕ ዝነበረ ክልላዊ መንግስቲ ህወሓት ንምእላይ ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈተ ይፍለጥ። ብሰንኪ እቲ ኲናት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሲቪላውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉን፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ከም ዝተመዛበሉን ይግለጽ። ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ዝብሃል ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምኡ እውን ተኸሲቱ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዘተሓሰሰቦ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምቅራብን፡ ሰብኣዊ ሓገዛት ንኽቀርብን ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ዝምስገን እዩ ኢሉ። እቲ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ክልል ብመንገዲ ሕቡራት ሃገራት እኹል ሰብኣዊ ሓገዛት ክቐርብ ኣለዎ'ውን ኢሉ። ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጉድለት ናይ ጸጥታ፤ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ኩሉ ከይባጻሕ ዕንቅፋት ፈጢሩ ከምዘሎ'ውን ሓቢሩ። እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጺሙ ዝብሃል ጾታዊ ዓመጽ ዘርከቦ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ብዘይሻራውያን ክጻረን እቶም ፈጸምቱ ኣብ ፍርዲ ክቐርቡን እቲ ኮምሽን ብምጽዋዕ፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ብሓባር ኮይኖም ምጽራይ እቲ ገበናት ከካይዱ ሓንጎፋይ ኢሉ ከምዝተቐበሎ ሓቢሩ። እቲ ቤት ምኽሪ፡ ዓለምለኻውያን ሕጋጋት ክኽበሩ ከምዘለዎም ብምልባው፡ ከም ኢጋድን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝኣመሰላ ውድባት ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝወስድኦ ተበግሶ ደገፉ ከምዘበርክት ገሊጹ'ሎ። ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ንኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ብተደጋጋሚ እኳ ክእከብ እንተጸነሐ ኣብ ሓደ ሓባራዊ ስምምዕ ክበጽሕ ከምዘይጸነሐ ይዝከር። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ በዘይ ስምምዕ ከምዝተበተነ ንዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ብምጥቃስ ኤኤፍፒ ኣቃሊሑ ነይሩ። እቲ ቤት ምኽሪ፡ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኵናት ልኡላዊነት ናይ ኢትዮጵያ ብዘረጋግጽ መንገዲ ደው ክብልን ሰብኣዊ ሓገዝ ክግብርን ዝብል ዝርከቦ መግለጺ ከውጽእ ኣብ ዝፈተነሉ ብናይ ቻይናን ሩስያን ተቓውሞ እቲ መግልጺ ክወጽእ ኣይከኣለን። ሩስያን ቻይናን እቲ መግለጺ \"ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ናይ ኢትዮጵያ ምትእትታው'ዩ\" ብምባል እየን ተቃዊመንኦ። ብተመሳሳሊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኤምባሲ ሩስያ፡ ኣመሪካ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ናይ ኢትዮጵያ ኢዳ ከይተእቱ ሓቲቱ ነይሩ እዩ። ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት 15 ሃገራት ዝሓቐፈ'ዩ። ካብትን 15 ሃገራት እተን ሓሙሽተ ሃገራት ፍሉይ መሰል ሕርያ ናይ ድምጺ ዘለወን ኮይን፡ እተን ዝተረፋ ዓሰርተ ሃገራት ዓመት ዓመት ዝቀያየር እየን። እተን ፍሉይ መሰል ሕርያ ዘለወን ሃገራት ኣመሪካ፡ ሩስያ፡ ዓባይ ብርጣንያ፡ ፈረንሳን ቻይናን እየን። እተን ዝተረፋ ዓሰርተ ሃገራት ኸኣ ኢስቶንያ፡ ህንዲ፡ ኣየርላንድ፡ ኬንያ፡ ሜክሲኮ፡ ኒጀር፡ ኖርወይ፡ ሴንት ቪንሰንት ኤንድ ዘ ግሬናዲንስ፣ ቱኒዚያን ቬትናምን እየን። ኣመዓባብላ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኵናት ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገመንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ። ጠንቂ ናይቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ መጋቢት 2018 ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣንን ምድኻምን ምድፋእን ህወሓት ካብቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዓብላልነት ዓትዒትዎ ዝነበረ ፈደራላዊ ስልጣንን ዝተኣሳሰር'ዩ። ኣብ ሕዳር 2019፡ ኢህወዴግ ውሁድ ገዛኢ ሰልፊ ክኽውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ ህወሓት ነቲ ውሳነ ስለ ዘይተቐበሎ ከም ዝወጽእ ኣነጺሩ። ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይቲ ዓመት ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ፍትሕ ወግዓዊ ኮይኑ። በዚ ድማ ብልጽግና ገዛኢ ሰልፊ ኮይኑ፡ ህወሓት ከኣ ከም ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብዶ\/ር ኣብዪ ዝምራሕ ብልጽግና ደው ኢሉ። ኣብ መጋቢት 2020 ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከም ዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል'ዩ ዝብል ምጉት ብምልዓል ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን። እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይቲ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ዝነበሮ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ንውሳነ ኮሚሽን ምርጫ ብምርዓም፡ ዕድመ ስልጣን ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት ክናዋሕ ውሳነ ኣሕሊፉ። ህወሓትን እቲ ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብወገኖም፡ እቲ ውሳነ \"ዘይሕገመንግስታዊን\" \"ዘይሕጋውን\" ብምባል ንውሳነ ናይቲ ቤትምኽሪ ነጺግዎ። ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልቲኡ ባይቶታትን ኣፍልጦ ከም ዘይህቦም'ውን ኣፍሊጡ። እቲ ውሳነ ቅድሚ ምሕላፉ'ውን፡ እታ ኣፈጉባኤ ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝነበረትን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን ዝነበረት ወ\/ሮ ኬርያ ኢብራሂም እቲ ውሳነ ከይሓለፈ እንከሎ ተቓውሞኣ ንምግላጽ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ወሪዳ። ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንውሳነ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ድሕሪ ምጽዳቑ ኸኣ፡ ባይቶ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ምርጫ ከካይድ ብ12 ሰነ 2020 ወሲኑ። ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ክልላዊ ምርጫ ከካይዶ'ኳ ብወገን ትግራይ ጠለብ ቀሪቡሉ እንተነበረ፡ ስለዝነጸጎ፡ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ከቕውም ተገዲዱ። ብ9 መስከረም 2020 ድማ ምሉእ ብምሉእ ህወሓት ዝተዓወተሉ ክልላዊ ምርጫ ተኻይዱ። ድሕሪ'ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም። እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ። ብወገን ህወሓት፡ ዝርርብ ክካየድ እንተኾይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርት፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፈትሕን ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ክፍጠርን ዝብል ቅድመ ኵነት ቀሪቡ። እንተኾነ ግን፡ እቲ እናኸረረ ዝመጸ ምትፍናንን ወጥሪን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕን ሰፊሕን ኲናት ኣምሪሑ፡ ኣብቲ ክልል ከቢድ ቅልውላዉ ፈጢሩ ይርከብ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56856116"} {"headline":"መገሻታት ኡሁሩን ኣንቶኒ ብሊንከንን ጻዕርታት ሰላም ኦባሳንጆን","content":"ካብ ሎሚ ሰኑይ ጀሚሩ፡ ንኬንያ ሓዊሱ ኣብ ሰለስተ ሃገራት ምብጻሕ ከካይድ ትጽቢት ዝግበረሉ ሓላፊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ካብ ኣመሪካ ቅድሚ ምብጋሱ መራሒ ኬንያ ትማሊ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተወ ተገሊጹ ኣሎ፡፡ ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተወሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውደን ከምዝተቐበልዎ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ጸብጺበን ነይረን። ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኬንያ፡ ጉዕዞ እቲ መራሒ ኣመልኪቱ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ ንፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን ኢትዮጵያ ብምጥቃስ ኬንያታ ምስ ላዕላዎት መራሕቲ ኢትዮጵያ ከምዝዘተዩ ኣፍሊጡ፡፡ ፕረዚደንት ኬንያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሮ ናይ ሰዓታት ጻንሒት ዛዚሙ ኣብ ናይ ምሸት ሰዓታት ናብ ሃገሩ ከምዝተመለሰ'ውን ጸብጺባት ይሕብሩ፡፡ ዛጊድ ብዛዕባ ዝተዘራረቡሎም ጉዳያት ብወገን ክልቲኦም ኣካላት ዝተገለጸ ነገር እኳ እንተዘይሃለወ፡ ቀንዲ ዛዕበኦም ኣብቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ቅልውላው ዝተመርኮሰ ከምዝኾነ ይግመት፡፡ ብፍላይ ኬንያታ፡ ቅድሚ ሓላፊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ናብ ኣፍሪቃ ምምጽኡ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምብጽሑ፡ ምስ ጉዕዞ ብሊንከን ዝተሓሓዝ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብሉ ግምታት ኣለዉ፡፡ ሓላፊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብቲ ሎሚ ዝጅምሮ ጉዕዞ ናብ ሃገራት ኬንያ፣ ናይጄርያን ሰኔጋልን ከምዝበጽሕ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጡ እዩ፡፡ ምብጻሕ እቲ ሓላፊ ካብ ናይሮቢ ከምዝጅመር ትጽቢት ዝግበር ኮይኑ፡ ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ተራኺቡ ኣብ ጉዳያት ኢትዮጵያ፣ ሶማልያን ሱዳንን ካልእን ክዝትዩ እዮም ተባሂሉ ኣሎ፡፡ ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ጽቡቕ ርግኣት ዘለዋ ኬንያ፡ ኣብዚ እዋን ናይ ቀረባ መሓዛ ኣመሪካን ምስ ኢትዮጵያ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዋን ሃገር እያ፡፡ ሰብመዚ ኣመሪካ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ጎንጺ ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ፡ ብዛዕባ ቅልውላው እቲ ከባቢ ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ክመኽሩ ከምዝጸንሑን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ኡሁሩ ኬንያታ ናብ ኣመሪካ ተዓዲሙ ምስ ፕረዚደንት ባይደን ተዘራሪቡ እዩ፡፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ዝተዘራረበ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጄፍሪ ፌልትማን'ውን ኣብ መንጎ ንኽልተ መዓልቲታት ናብ ናይሮቢ ተጓዒዙ ምንባሩ ዝዝከር እዩ፡፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ኲናት መፍትሒ ንምርካብ፡ ዘሰማምዕ ሓሳብ ክርከብ ከምዝኽእል እዩ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሉሴጎን ኦባሳንጆ ዝገልጽ፡፡ እቶም ተጻባእቲ ወገናት ቀዳምነት ክወሃቦ ኣለዎ ዝበሉዎ ነጥታት ከምዘቐመጡ እቲ ፍሉይ ልኡኽ ዝሓበረ ኮይኑ፡ ብተወሳኺ ምስ መራሕቲ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ከምዝተዘራረበን ኣብ ቀጻሊ ምስ መራሕቲ ክልል ዓፋር ከምዝዝትን እቲ ሕብረት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ፡፡ ብተወሳኺ ኦባሳንጆ ምስ መራሕቲ ኬንያ፣ ዩጋንዳ፣ ጂቡቱ፣ ሶማልያ፣ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ከምዝተዘራረበ መግለጺ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣመልኪቱ፡፡ ‘‘ኲናት ናይ ፖለቲካዊ ውድቀት ነጸብራቕ እዩ፡፡ እቲ ጎንጺ ወታሃደራዊ ፍታሕ የብሉን፡፡ኣብ ዓውደ ኲናት ዝርከብ ዓወት ዘተኣማምን ፖለቲካዊ ምርግጋእ ኣየምጽእን፡፡ ስለዚ ብዘተ፡ ሰላም ምምጻእ ብሕታዊ ዘላቕን ዘተኣማምንን መንገዲ እዩ’’ ኢሉ ኦባሳንጆ፡፡ ብተወሳኺ ‘‘ወታሃደራዊ ጎንጺ ኣብ ዝካየደሉ ኩነታት ዝካየድ ዘተ ዝድለ ውጽኢት ስለዘየምጽእ፡ ኩሎም ገናት ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ደው ብምባል’’ እቲ ዘተ ንምቕጻል ዕድል ክህቡ ጻውዒት ኣቕሪቡ፡፡ ካብቶም ተጻባእቲ ወገናት ብተወሳኺ ኣብ ኣፍሪቃ ይኹን ብደረጃ ዓለም ዘለዉ መራሕቲ ናይ ምሽምጋል ጻዕሪ ክሕግዙን \"ብፍላጥ ኮነ ብዘይ ፍላጥ ነቲ ጎንጺ ካብ ዘበኣእሱ ስጉምቲታትን ዘረባታትን ክቑጠቡን\" ኦባሳንጆ ሓቲቱ፡፡ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ተጀሚሩ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተጋፈሐን ካብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ተጋዲዱ ዝቐጸለን ጎንጺ፡ ሰላማዊ ምፍትሒ ክርከቦ ዝተፈላለዩ ወገናት ጸቕጢ ይገብሩ ኣለዉ፡፡ ብፍላይ ነቶም ወገናት ንምሽምጋል ናብ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ዝተመላለሰ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦባሳንጆ፡ ዕላማ እቲ ጉዕዞ ነቲ ብወገን ክልቲኦም ኣካላት ዘሎ ሓሳብ ንምርዳእ ከምዝነበረን ኣወንታዊ ምላሽ ከምዝረኸበን ገሊጹ እዩ፡፡ ንሱ ነቲ ጎንጺ ቅልጡፍ ፍታሕ ክድለየሉ ከምዝግባእን እቲ ዘሎ ዕድልን እዋንን እውን ዉሱን ከምዝኾነን ንባይቶ ጸጥታ ኣፍሊጡ፡፡ ኣብዚ ቀረባ ምልስላስ ዘርኣየ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ጎንጺ ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ድልየት ከምዘለዎ ብምግላጽ ሓይልታት ትግራይ ካብ ዝሓዙዎም ከባቢታት ኣምሓርን ዓፋርን ክወጹ ዝጠልብ ዝርከቦም ቅድመ ኩነታት ኣቐሚጡ እዩ፡፡ ቅድም ክብል ብወገን ሓይልታት ትግራይ ዝተቐመጡ ቅድመ ኩነታት እውን ከምዘለዉ እዮም፡፡ በቲ ሓደ ዓመት ኣሕሊፉ ዘሎ ኲናት ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝሞቱ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ኣስታት 7 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮም ትካላት ረድኤት ኣፍሊጦም፡፡","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59287767"} {"headline":"ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እስራኤል ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብተዓዛብነት እትሳተፈሉ ቦታ ምርካባ ኣቖጢዑዋ","content":"መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ እስራኤል ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ናይ ተዓዛብነት ቦታ ምርካባ ተቖጢዑ፤ በቲ ውሳነ ከም ዝሰንበደ'ውን ኣፍሊጡ። ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እቲ ሕብረት ን55 ኣባል ሃገራት ከየማኸረ ዘሕለፎ ውሳነ'ዩ ክብል'ውን ከሲሱ። \"እቲ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ውጹዓት ህዝብታት ፍልስጤም መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉን መሬቶም ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣብ ዝተወረረሉን እዋን ዝተመሓላለፈ ምዃኑ ከኣ ዚያዳ ዘሰንብድ ይገብሮ\" ክብል ቤት ጽሕፈት ዓለምለኻዊ ርክባትን ምትሕብባርን እታ ሃገር ኣፍሊጡ። ወሲኹ፡ \"እስራኤል ዝፈጸመቶም ዘይሕጋዊ ስጉምታት እቲ ሕብረት ዝተጣየሰሉ ዕላማን መንፈስን ዝጥሕስ'ዩ\" ብምባል ተቓዊሙዎ። እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ደቡብ ኣፍሪቃ ንኣቦ መንበር እቲ ሕብረት ሙሳ ፋቂ መሃማትን ንኣባል ሃገራትን መግለጺ ክትህብ ድልየት ኣለዋ ይብል። እዚ ውሳነ፡ ተቓዋሚ ሰልፊ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኾነ ተጋደልቲ ናጽነት ቑጠባ [ኢፌኤፍ] እውን ኣቐጢዑዎ ኣሎ። \"ውሳነ ሙሳ ፋቂ ኣዝዩ ዘሕፍርን ኣብ ልዕሊ ፍልስጤም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብኣዊ መሰል\"ን እዩ ብምባል እቲ ኣቦ መንበር ካብ ስልጣኑ ንክወርድ ጸዊዑ። እስራኤል፡ ቅድም ኢሉ ትካል ሓድነት ኣፍሪቃ ተባሂሉ ኣብ ዝጽውዓሉ ግዜ ናይ ተዓዝብነት ቦታ'ኳ እንተነበራ ብ2003 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ሽሙ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ክልወጥ እንከሎ ወጺኣ። ንብዙሕ ዓመታት እዚ ቦታ ንምርካብ ጻዕሪ ክትገብር ክትጸንሕ እንከላ፡ ገለ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ፍቓደኛታት ብዘይምዃነን ግን ከይሰመረላ ጸኒሑ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ግን ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት እስራኤል ያይር ላፒድ እስራኤል ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብተዓዛብነት እትሳተፈሉ ቦታ ረኺባ ብምባል “እዚ ዕለት ርክባት እስራኤል-ኣፍሪቃ እንጽምብለሉ እዩ” ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። ንሱ እዚ ዕድል እስራኤል ምስ ደገ ንዘለዋ ርክባት ኣብ ምጥንኻር ዓብዪ ትርጉም ከም ዘለዎ ገሊጹ’ዩ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57994896"} {"headline":"ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ጄፍሪ ፌልትማን ምስ ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ዘትዩ","content":"ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ጄፍሪ ፌልትማን ምስ ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ዘትዩ፡፡ ሙሳ ፋቂ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ሱዳንን ምስቲ ፍሉይ ልኡኽ ከምዝዘተየ፡ ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ሓቢሩ፡፡ ንሱ \"ምስ ሃገራውን ኣህጉራውን ኣካላት ብምዃን ዘተን ፖለቲካዊ መፍትሕን ንምምጻእ ክንገብሮ ብዛዕባ እንኽእል ጻዕሪ ተዘራሪብና\" ኢሉ፡፡ ሎሚ ቐትሪ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ ኣምባሳደር ፌልትማን፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ እናተጋደደ ዝመጸ ኲናት መፍትሒ ንምንዳይ ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ፡፡ ቤት ጽሕፈት ሚኒስተር ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ከምዝሓበሮ ስፍሓት እቲ ኲናት ኣብ ዘሻቕል ደረጃ በጺሑ ኣሎ፡፡ ደሴን ኮምቦልቻን ተቖጻጺሮም ዝቐነዩ ሓይልታት ትግራይ፡ ትማሊ ንከተማ ደሴ ከምዝተቖጻጸሩ ገሊጾም ኣለዉ፡፡ መንግስቲ ግና ኣብዚ ጉዳይ ዝሃቦ ሓበሬታ የለን፡፡ ከሚሴ ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣዲስ ኣበባ ንኣንፈት ሰሜን 330 ኪሜ ርሒቓ እትርከብ ከተማ እያ፡፡ ብዙሓት ሃገራት እቲ እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ከምዘሻቐለን ዝገልጻ ዘለዋ ኮይነን፡ ኣመሪካ ብወገና ዘተ ክጅመር እትገብሮ ጻዕሪ ኣጠናኺራ ቀጺላቶ ኣላ፡፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብስልኪ ከምዝተዛተየ ዝገለጸ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ እውን ፡ ናብ ዘተ ዝወስድ ዝኾነ ዓይነት ሓገዝ ከምዝገብር ነቲ መራሒ ከምዝለጸሉ ብትዊተር ሓቢሩ፡፡ እንተኾነ ኩሎም ተጻባእቲ ወገናት ነቲ ዘተ ዕሽሽ ዝበሉዎ እዮም ዝመስሉ፡፡ ኣብ ዓውደ ኲናት ጸብለልታ ከምዝረኸቡ ዝገልጹ ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ ‘ኣብ ኣፍ ምውዳቕ’ ኣሎ ምስዝብልዎ መንግስቲ ዘተ ምጅማር ኣድላዪ ከምዘይኮነ ይሕብሩ ኣለዉ፡፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ኩሉ ዓቕሚ ዘለዎ ናብ ዓውደ ኲናት ክኸትት ኣብ ምጽዋዕ እምበር ንዘተ ክለሳለስ ኣይተርኣየን፡፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ልዕሊ 7 ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ገሊጹ እዩ፡፡ ኣብ ክልል ትግራይ ጥራሕ ኣስታት 400 ሽሕ ህዝቢ ኣብ ጫፍ ዓጸቦ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ተሓቢሩ እዩ፡፡ ኮይኑ ግና ኣብቲ ከባቢ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን መንግስቲ ዘንበሮ ገደባትን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ፈታኒ ከምዝገበሮ ትካላት ረድኤት ይገልጹ፡፡","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59165798"} {"headline":"ቅልውላው ሊብያ፡ ልኡኻት ሊብያ ምክፍፋል እታ ሃገር ከብዕቕ ተሰማሚዖም","content":"ግዝያዊ መንግስቲ ሓድነት ሊብያ ነቶም ተነሓናሕቲ ምምሕዳራት እታ ሃገር ተኪኡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ መረጻ ከካይድ ተሓርዩ። ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዝመርሖ ፎረም ዝተረኸቡ ልኡኻት፡ እቲ ኣብ ጀኔቫ ንሓሙሽተ መዓልታት ክካየድ ዝቐነየ ዘተ ምስ ተዛዘመ፡ ሰለስተ ኣባላት ፕሬዝደንታዊ ባይቶን ቐዳማይ ሚኒስትርን መሪጾም ኣለው። እዚ ድሕሪ'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተኵሲ ዝመጽአ መስርሕ ህንጸት ሰላም እዩ። ሊብያ፡ ናይ ነዊሕ እዋን መራሒኣ ሙዓማር ጋዳፊ ብኔቶ ብዝድገፉ ሓይልታት ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ምስ ተቐትለ ብ2011 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ናብ ዕግርግር ከም ዝኣተወት ይፍለጥ። እዛ ሰሜን ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ትሕዝቶ ጋዝን ነዳድን ዘለዋን ንሙሉእ ቲ ዞባ ትምግብን እኳ እንተነበረት፡ ንነዊሕ ዓመታት ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ንዝደልዩ ስደተኛታት ቀንዲ መሳገሪት ዘይሕጋዊ ስደኛታት ኮይና ጸኒሓ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣምባሳደር ሊብያ ኣብ ግሪክ ዝነበረ መሓመድ ዮኑስ መንፊ፡ ሓላፊ እቲ ፕሬዝደንታዊ ቤት ምኽሪ ክኸውን'ዩ። ነዳጋይ ዓብዱል ሓሚድ መሓመድ ድቢባህ ድማ ናይ ስግግር ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኑ ኣሎ። እዚኦም፡ ኣብቲ 24 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም ዝካየድ መረጻ ኣይወዳደሩን። እቶም ሕጹያት ኣብ ኩሎም መንግስታዊ መሓውራት 30 ሚኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ ክሾሙ ቃል ኣትዮም ኣለው። ኣብ ሊብያ ድሕሪ'ቲ ኣብ 2014 ዝተኻየደ መረጻ ዝተፈጥረ ዘይምቅዳው፡ ፖለቲካዊ ስሕበት እታ ሃገር ኣብ ክልተ ተገሚዑ ይርከብ። እቲ ሓደ ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ብጀነራል ካሊፋ ሓፍጣር ዝምራሕ ኮይኑ እቲ ካልእ ኣብ ምዕራብ ዝርከብ መንግስቲ ብሄራዊ ስምምዕ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ትሪፖሊ ዘሎ መንግስቲ'ዮም። ክልቲኦም ወገናት ደገፍ ዓለምለኻዊ ሓይልታት ዝረኽቡ ኮይኖም፡ ኣብታ ሃገር ካልኦት ብዙሓት ጉጅለታትን ዕጡቓት ሚሊሻታትን'ውን ኣለው። ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሊብያ ስቴፋኒ ዊልያምስ እቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ፖለቲካ ዝተወጻጽአ ካቢኔ ንምጥያስ 21 መዓልታት ከም ዝተዋህቦ ገሊጻ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55915917"} {"headline":"እስራኤል ‘ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብተዓዛብነት እትሳተፈሉ ቦታ ረኺባ’","content":"እስራኤል ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ተዓዛቢት ኮይና እትሳተፈሉ ቦታ ከም ዝረኸበት ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት እታ ሃገር ኣፍሊጡ። ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት እስራኤል ያይር ላፒድ “እዚ ዕለት ርክባት እስራኤል-ኣፍሪቃ እንጽምብለሉ እዩ” ክብል ተዛሪቡ። ንሱ እዚ ዕድል እስራኤል ምስ ደገ ንዘለዋ ርክባት ኣብ ምጥንኻር ዓብዪ ትርጉም ከም ዘለዎ ገሊጹ’ሎ። “እዚ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ውጽኢት ናይቲ ብሚንስትሪ ወጻኢ፣ ኣፍሪቃዊ ትካላትን ኣብታ ኣህጉር ዝርከቡ ኤምባሲታት እስራኤልን ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት እዩ” ኢሉ። እስራኤል ኣብዚ እዋን ካብ ሞንጎ’ተን 55 ኣባላት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾና ሃገራት ምስተን 46 ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ኣለዋ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከኣ ምስ ሞሮኮን ሱዳንን ዝነበራ ርክባት ክመሓየሽ ከም ዝገበረት ይፍለጥ። እስራኤል ኣብ 2002 ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ፈሪሱ በቲ ሕዚ ዘሎ ሕብረት ኣፍሪቃ ክሳብ ዝተትኣሉ እዋን ተዓዛቢት ኣባል ምንባራ ይዝከር።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57939139"} {"headline":"ሕብረት ኣፍሪቃ ጉዳይ ቱኒዝያ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ጸዊዑ","content":"ሕብረት ኣፍሪቃ ጉዳይ ቱኒዝያ ብሰላማዊ መንግዲ ክፍታሕ ምስ ዝጽውዑ ዘለዉ ሕብረት ኣውሮጳን ኣመሪካን ተጸንቢሩ። ፕረዚደንት ቱኒዝያ ንባይቶ እታ ሃገር ብምድስካል ቀዳማይ ሚኒስትር ዝርከቦም ሰብ መዚ መንግስቲ ካብ መዝነቶም ምስ ሰጎጎም ኣብታ ሃገር ዕግርግር ተላዒሉ ይርከብ። ወሃቢ ቃል ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ቱኒዝያ ብቅዋማ ክትምእዘዝን እቲ ተላዒሉ ዘሎ ዕግርግር ክሃድን ጸዊዑ ኣሎ። ዋና ጸሓፊ ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሃማት ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቱኒዝያ ብቴሌፎን ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ መንግስቲ ንድሌት ህዝቢ ክምልስ ከም ዝግብኦ ደጋጊሙ ከም ዝሓበሮ እቲ ሕብረት ኣብ ዝውጽኦ መግለጺ ጠቂሱ። ወሃቢ ቃል ሚኒሰትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነድ ፕራይስ ኣብ ዝሃቦ መግልጺ \"ቱኒዝያ ነቲ ዘለዋ ዲሞክራሲ ከተባኽኖ የብላን\" ኢሉ ድሕሪ ምምሕጻን \"ንዲሞክራሲ ዝዕፍንን ናብ ግጭት ዝዕድምን ተግባራት ካብ ምግባር ክትቁጠብ ኣለዋ\" ኢሉ። ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ቱኒዝያ እቲ ዝጥለብ ዘሎ ከም ዘማልእዎ ንሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳያት ፈረንሳ፣ ቱርኪ፣ ጣልያንን ጀርመንን ብቴሌፎንን ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ተመባጺዑሎም። ብምስዓብ ፕረዚደንት ቱኒዝያ ነቲ ስጉምቲ ንግዙኡ ወሲድዎ ከም ዘሎ'ውን ገሊጽሎም። ኣብ ቱኒዝያ ዝዓበየ ፖለቲካዊ ሰልፊ ዝኾነ ኢናህዳ፡ ደገፍቱ ሰላማዊ ሰልፊ ከይገብሩን ነቲ ዘሎ ኩነታት ከይጋድድዎን ብምጽዋዕ ዘሎ ጸገማት ብዘተ ክፍታሕ ሓቲቱ ኣሎ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57994546"} {"headline":"ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ትግራይ ጥሜት ከየጋጥም ቀረብ ረድኤት ክቀላጠፍ ጸዊዑ","content":"ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ክልል ትግራይ ዓጸቦ ከየጋጥም መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ከቀላጥፍ ሓቲቱ። ወኪል ዜና ፈረንሳ ኤኤፍፒ ንሓደ ላዕለዋይ በዓልስልጣን እቲ ውድብ ጠቒሱ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሰራሕተኛታት ረድኤት፡ ነቶም ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ንምብጻሕ ኣብ ዝተጸገሙሉ እዋን፡ መንግስቲ ረድኤት ተበጻሒ ንምግባር ዝገብሮ ጻዕሪ ከሐይሎ ምሕታቱ ገሊጹ። ኮምሽነር ፖለቲካዊ ጉዳያትን ሰላምን ድሕነትን ኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝኾነ ባንኮሌ ኣዶዬ \"መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኽእሎ ይገብር ምህላው፡ እንተኾነ ግን ሰባት ከይጠምዩ ብዝበለጸ ክስራሕ ንደሊ ኢና\" ምባሉ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ። ወሲኹ'ውን \"ደቀንስትዮን ህጻናትን ኣብ ዘይምልከቶም ግጭት ግዳይ ክኾኑ የብሎምን\" ኢሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣወሃሃዲ ሰብኣዊ ረድኤት፡ ኣብ ትግራይ ካብ ዘሎ ነባሪ እቲ 90 ሚእታዊ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘድልዮ ን400 ሽሕ ዝኾኑ ድማ ኣብ ንጥምየት ተቓሊዖም ምህላዎም ገሊጹ ነይሩ። ኣብ ትግራይ ዝጸንሐ ቀረብ ረድኤት ካብ ዝውዳእ ክልተ ሰሙናት ኣቑጺሩ ምህላው ሓላፊ እቲ ትካል ብሓሙስ ገሊጹ። ብተወሳኺ ኣድላዪ ሰብኣዊ ረድኤት ምቕራብ ከምዘይከኣለ፣ ናይ ነዳድን ጥረ ገንዘብን ሕጽረት ብምህላው ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ከቢድ ቅልውላው ከስዕብ ከም ዝኽእልን ስግኣቱ ገሊጹ። ብዘይካ'ዚ ምስ ክልል ትግራይ ኣብ ዝዋሰኑ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን 1.7 ሚልዮን ሰባት ንጥሜት ክቃልዑ ተቓሪቦም ምህላዎም ሓላፊ እቲ ምውህሃድ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ግራንት ሌይቲ ተዛሪቡ። እቲ ሓላፊ፡ ኣብ ትግራይ ናይ ድሕነት ኩነታት ተመሓዪሹ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ዝኸኣለሉ ኩነታት እኳ እንተሎ፡ እቲ ክልል \"ወግዓዊ ኣብ ዘይኮነ ክልከላ ሰብኣዊ ረድኤት ይርከብ\" ኢሉ። ምድንጓያት ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ብዝምልከት ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ቢልለኔ ስዩም ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ንምብጻሕ ዕንቅፋት እዮም ዝተባሃሉ ኣሰራርሓታት ከምዘተዓራረየ ገሊጻ። ንሳ ወሲኻ፡ ረድኤት ብዝግባእ ኩነታት ከይበጽሕ \"ዕንቅፋት ዝፈጥር ዘሎ ህወሓት ብምዃኑ ናይ ተበጻሕነት ጸገም እንተሎ እቲ ሕቶ ነቲ ጉጅለ ዝምልከት እዩ\" ኢላ። ብወገን ሓይልታት ትግራይ ዝቐረብ ክሲ ድማ፡ መንግስቲ ፌደራል ኮነ ኢሉ ኩሎም ኣማራጺ መገዲታት ብምዕጻው ናብቲ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘጋጠሞ ህዝቢ ትግራይ ረድኤት ከይበጽሕ ይገብር ከም ዘሎ የመልክት። ቁጠባ እታ ክልል ከምዝለመሰ ዝሓበሩ እቶም ሓይልታት፡ ኣብታ ክልል ኣገልግሎት ባንክታትን ሓይሊ ኤሌክትሪክን ብዘይምህላዉ፡ ትካላት ካብ ንግዲ ክወፅኡ ከምዝተገደዱ ይገልጹ። ኣብ ክልል ትግራይ ንኣዋርሕ ዝተኻየደ ኲናት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምልሓሙ ኣብተን ክልላት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ከም ዝተፈናቐሉን ንዝተፈላለየ ጸገማት ከም ዝተቓልዑን ይግለጽ። ኮምሽነር ባንኮሌ ኣዶዬ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ክሕይል ምሕታቱ ወሲኹ፡ \"ወተሃደራዊ መፍትሒ ተመራጺ ብዘይምዃኑ\" ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ወገናት ናብ ዘተ ክመጹ ጸዊዑ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብመንግስቲ ፌደራል ዝምራሕ ሰራዊት እታ ሃገር፣ ፍሉይ ሓይሊ ክልላትን ሚሊሻታትን ምስ ሓይልታት ትግራይ ዝገብርዎ ኲናት ቀጺሉ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሪቃዊ ሕብረት ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ዘብል መፍትሒታት ከናድይ ምእንቲ ንፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሴጉን ኦባሳንጆ ፍሉይ ልኡኽ ጌሩ ምምዛዙ ይዝከር።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58446090"} {"headline":"ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃን-ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ዳርፉር ኣብቒዑ","content":"ኣብ ምዕራባዊ ሱዳን ኣብ ዝርከብ ዞባ ዳርፉር ተዋፊሮም ዝርከቡ ዓቀብቲ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ተልእኾኦም ከብቅዕ ምዃኑ ተፈሊጡ። እቲ ን13 ዓመታት ኣብቲ ዞባ ዝጸንሐ ወታሃደራዊ ሓይሊ ብወግዒ ትማሊ ሓሙስ 31 ናይ መወዳእታ ዕማማቱ ብምስላጥ ከብቅዕ ምዃኑ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። እቲ ስጉምቲ፡ ብመሰረት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብ22 ታሕሳስ ዘሕለፎ ውሳነ'ዩ ዝውሰድ ዘሎ። ክሳብ እቲ ናይ መወዳእታ ምውጻእ ኣባላት ናይቲ ሓይሊ፡ ግን ምስ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ክተሓባበር ምዃኑ ጠቒሱ። ኣብቲ ኣብ 2003 ዝተወለዐ ግጭት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ምቕታሎም ይዝከር። ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽርን ገለ ሰበስልጣናት ነበርን ምስቲ ቅትለት ብዝተሓሓዝ ክሲታት ገበናት ኲናትን ምጽናት ዓሌትን ከምዝቐረበሎም ይፍለጥ። ኣስታት 500,000 ካብ ኣባይቶም ዝተፈናቐሉ ሰባት ኣብ መዓስከራት ይነብሩ ምህላዎም ይፍለጥ። እዚ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፡ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ዘይምርግጋእ፡ ምስ ተቓወምቲ ወገናት ስምምዕ ሰላም ብምፍራም ክፈትሖ ጀሚሩ ከምዘሎ ይግለጽ። ይኹን እምበር፡ ሕጂ'ውን ብቐጻሊ መጥቃዕትታት የጋጠም ብምህላዉ፡ ምውጻእ ዓቀብቲ ሰላም ንህዝቢ እቲ ከባቢ ኣሻቒልዎ ከምዘሎ ጸብጻባት ሓቢሮም። እቲ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ምስ ክፍልታቱ ኣስታት 20,000 ዝበጽሕ ምንባሩ ጸብጻባት የረድኡ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55502924"} {"headline":"ኤርትራ፡ ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ ኣብ መበል 75 ዓመቱ ዓሪፉ","content":"ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣምባሳደር ኤርትራ ኮይኑ ዝሰርሐ ኣቶ ኣርኣያ ደስታ ብሕማም ከምዝዓሪፉ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ሎሚ ብትዊተር ሓቢሩ። ኣብ 1945 ዝተወለደ ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ ኣብ 1981 ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ኾይኑ፡ ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ሃገራት ስዊድንን ቻይናን ከምኡ'ውን ኣብ ኮምሽን ቁጠባ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃን (UNECA) ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ቀዋሚ ወኪል ኤርትራ ኮይኑ ሰሪሑ። ስነስርዓት ቀብሪ ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ 6 ሰነ 2021 ኣብ መቃብር ሓርበኛታት ኣስመራ ከምዝፍጸም ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ ኣሎ። ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ፡ ቀዋሚ ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምኡ'ውን ኣብ ኮምሽን ቁጠባ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃን ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ እዩ። ካብ 1994 ክሳብ 2001 ኣብ ቻይና ቆንስል ናይ ኤርትራ ኮይኑ ዝሰርሓ ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ ማዕረ ማዕሪኡ ካብ 1997 ክሳብ 2002 ቀዋሚ ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ሰሪሑ። ጸኒሑ'ውን ካብ 2006 ክሳብ 2014 ቀዋሚ ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ዳግማይ ተመዚዙ። ካብ 2002 ክሳብ 2005 ኣብ ዝነበረ ግዜ ቀዋሚ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ስዊድን ብምግባር ቀዋሚ ኣምባሳደር ኣብ ሃገራት ዴንማርክ፡ ኖርወይ፡ ስዊድን፡ ፊንላንድን ኣይስላንድ ካልኦትን ሃገራት ዝሓቆፈ ዞባ ኖርዲክ ኮይኑ ሰሪሑ። ኣምባሳደር ኣርኣያ ደሰታ ካብ 2014 ጀሚሩ ክሳብ ዕለተ ሞቱ፡ ቀዋሚ ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ኮምሽን ቁጠባ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃን ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ እዩ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57333065"} {"headline":"ኮቪድ-19፡ ኣፍሪቃ 270 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ኮሮናቫይረስ ረኺባ","content":"ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንኣህጉር ኣፍሪቃ ዝኸውን 270 ሚልዮን ክታበት ኮቪድ-19 ከምዘዳለወ ኣፍሊጡ። እቲ ክታበት ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከምዝባጻሕ ድማ ሓቢሩ። እቲ ክታበት ኣብዚ ዓመት ኣብ ረብሓ ከምዝውዕል ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎዛ ተዛሪቡ። ቅድሚ'ዚ 600 ሚልዮን ክታበት ንኣፍሪቃ ከምዝቐርብ ቃል ዝተኣተወ ኮይኑ፡ እዚ ተረኺቡ ዘሎ 270 ሚልዮን ድማ ተወሳኺ ምዃኑ ተገሊጹ። እዚ'ውን ንኹለን ሃገራት ኣፍሪቃ እኹል ኣይኮነን። ሃብታማት ሃገራት ንዜጋታተን ከቲበን ክሳብ ዝውድኣ ድኻታት ሃገራት ዓለም ንነዊሕ እዋን ክጽበያ ከምዝግደዳ ስግኣታት ኣሎ። እንተኾነ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘጋጥም ዘሎ መልከፍትን ሞትን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ክነጻጸር እንከሎ ዝተሓተ እዩ። ኣብ ገለ ሃገራት ግን ኣብ ቁጽሪ መልከፍቲ እናወሰኸ ይኸይድ ምህለው ይግለጽ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከኣ እቲ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ስግኣት ኮይኑ'ሎ። እቲ ቫይረስ ካብ ዝርከቦም ሰባት እቶም ዝበዝሑ በቲ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ምዃኖም ይግለጽ። \"ብዝገበርናዮ ጻዕሪ ዛጊድ 270 ሚልዮን ክታበት ክነቕርብ በቒዕናለና\" ዝበለ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎዛ፡ እቶም ክታበታት ካብ ፋይዘር፣ ኣስተራዜኔካን ጆሰን ኤንድ ጆሰንን ከምዝተዓደጉ ሓቢሩ። እንተውሓደ 50 ሚልዮን ክታበት \"ኣብ ኣዝዩ ወሳኒ ጊዜ ካብ ሚያዝያ ክሳብ ሰነ 2021\" ክቐርብ ምዃኑ'ውን ገሊጹ። ኣፍሪቃ አስታት 600 ሚልዮን ክታበት ብዓለማዊ መስርሕ ኮቫክስ [ድኻታት ሃገራት ክታበት ኮሮናቫይረስ ፍትሓዊ ብዝኾነ መገዲ ንኽበጽሐን ዝተወደበ ስምረት] ኣቢሉ ክበጽሓ ትጽቢት ይግበር። እተን ሃገራት ብዛዕባ እቲ ኣሰራርሓ ዝርዝር ሓበሬታ ኣብ ምጽባይ ዝርከባ ኮይነን ሎሚ ከኣ \"ኣማራጺ ፍታሕ ምርካብና ዘሕጉስ'ዩ\" ይብል ላዕለዋይ ኣማኻሪ ማእከል ምክልኻል ሕማማት ኣፍሪቃ ኒካያስ ደምቢ ንወኪል ዜና ኤፒ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ። ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ሰብመዚን፡ እቲ ብኮቫክስ ኣቢሉ ክሳብ ቀዳማይ መፋርቕ 2021 ዝቐርብ ክታበት ንሰብ ሞያ ጥዕና ጥራይ ዝበጽሕ ምዃኑ ስክፍትኦም ይገልጹ። እታ 1.3 ቢልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኣህጉር ብነብሲ ወከፍ ዜጋ ክልተ ብልቃጥ ክታበት የድልያ። ስለዚ ንኹሉ ክትኸትብ እንተኾይና ብድምር ዘድልያ ብዝሒ ክታበት 2.6 ቢልዮን ይበጽሕ ኣሎ። ዘድሊ መጠን ክታበት ብዝቐልጠፈ ኩነታት ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ ክቕጽል ምዃኑ ሲሪል ራማፎዛ ገሊጹ። ኣብ ኣፍሪቃ ልዕሊ 3 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ክተሓዙ እንከለው ኣስታት 75,000 ድማ ሞይቶም ኣለው። እዚ ኣሃዝ ምስታ 23 ሚልዮን መልከፍትን ልዕሊ 383,000 ሞትን ዘመዝገበት ኣመሪካ ክነጻጸር እንከሎ ትሑት ምኳኑ እዩ ዝግለጽ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55657751"} {"headline":"ቅልውላዉ ኢትዮጵያ፡ ኦባሳንጆ ከም ኣተዓራቒ ኢትዮጵያ ዝነጸጎ ኣካል ከምዘየለ ተዛሪቡ","content":"ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት መፍትሒ ንምርካብ ኣሸማጋሊ ኮይኑ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተመዘዘ ፕረዚደንት ናይጄርያ ነበር ኦሊሴጎን ኦባሳንጆ፡ እቶም ተጻባእቲ ኣይተቐበሉዎን ዝብል ወረ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ ኢሉ፡፡ ናብ ኢትዮጵያ ተጓዒዙ ነቶም ወገናት ዘዘራርብ ዘሎ ኦባሳንጆ ምስ ቢቢሲ ፎከስ ኦን ኣፍሪቃ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት ‘‘ኣይንቕበለካን ዝበለኒ ኣካል የለን’’ ክብል ተዛሪቡ፡፡ ‘‘እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር [ኣብዪ ኣሕመድ] እቲ ኣነ ዝጠልቦ ኣቓልቦ ሂቡኒ እዩ፡፡ ዝግባእ ክብሪ ሂቡ ኣተኣናጊዱኒ እዩ፡፡’’ ብዛዕባ እቲ ትማሊ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ዝገበሮ ምብጻሕ ድማ ‘‘ ፕረዚደንት ትግራይ ልክዕ ከምቲ ዝኾነ ኣፍሪቃዊ መራሒ ክቕበለኒ ዝኽእል ገይሩ እዩ ተቐቢሉኒ፡፡ ስለዚ እቲ ፈንፊኖምዎ እዮም፤ ኣይተቐበሉዎን ዝብል ወረ ሓቂ ኣይኮነን’’ ይብል እቲ ፍሉጥ ኣፍሪቃዊ መራሒ፡፡ ‘‘ኩሎም ‘ስለዝተሓረኻ ንንእደካ ኢና፤ እቲ መንገዲ ከምኡ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፡፡ ቅኑዕ ዝኾነ ማእከላይ ኢና እንደሊ፤ ካባኻ ዝበልጽ እውን ኣይረክብን ኢሎምኒ ’’ ክብል እውን ወሲኹ ገሊጹ፡፡ ነቲ ሓደ ዓመት ዘቑጸረን ንሚልዮናት ኣብ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘውደቐን ጎንጺ መፍትሒ ከምጽእ ዝኽእል ዘተ እንታይ እዩ ንዝብል ሕቶ ግን እቲ ልኡኽ ብዙሕ መብርሂ ክህብ ኣይደለየን፡፡ ንሱ እዚ ደረጃ መደራደሪ ኣርእስቲ ዝዝተየሉ ዘይኮነስ ‘‘ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ዝግደሱሎም ጉዳያት እንታይ እዮም ዝብል ንምርዳእ’’ ይፍትን ከምዘሎ ገሊጹ፡፡ ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ኣብ ትዊተር ስእሊ ኣሰንዩ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ ኦባሳንጆ ምስ መራሒ ህወሓት ደብረጽዮም ገብረሚካኤል ተራኺቦም ‘‘ዕዉት’’ ዘተ ከምዘካየዱ ገሊጹ ነይሩ፡፡","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59214467"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ህንዲ ክታበት ኣስትራዜኔካ ናይ ምምጻእ መደባት ሰሪዝዎ","content":"ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ካብቲ ካብ ዓለም ዝዓበየ ክታበት ኣስትራዜኒካ ዘፍሪ ሰሩም ኢንስቲቱት ዝብሃል ህንዳዊ ትካል ክታበት ኣስትራዜኔካ ናይ ምምጻእ ዝነበሮ መደባት፡ ምስ ቀረባት ብዝተሓሓዝ ጉዳያት ዘይዕግበት ስለዝፈጠረሉ፡ ንዕኡ ኣቋሪጹ ምስ ኣመሪካዊ ትካል ጆንሶን ኤንድ ጆንሶን ሓድሽ ውዕል ከምዝተፈራረመ ገሊጹ። ዳይሬክተር ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ሕብረት ኣፍሪቃ ዶክተር ጆን ኒከንጋሶንግ ቀጻልነት ዘለዎ ቀረባት ክታበት ኣዝዩ ወሳኒ እዩ ድሕሪ ምባል፡ ህንዲ ኣብ ሰደዳት መድሃኒት ትኽተሎ ተሪር ሕጋጋትን እገዳታትን ንኣፍሪቃ ሕልኽላኻት ይፈጥረላ ምህላዉ ገሊጹ። ዶክተር ጆን ኒከንጋሶንግ ብምቕጻል፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ንኣስትራዜኒካ ምስ ናይ ቀረብ ጸገማት ብዝተሓሓዝ’ምበር፡ ምስቲ ኣስትራዜኒካ ኣብ ገለ ሰባት ምርጋእ ደም የስዕብ’ዩ ዝብል ዘረባታት ዝተሓሓዝ ከምዘይኮነ ብምግላጽ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ብወጻኢታቱ ካብቲ ክታበት ከውሕስ ዝነበሮ መደባት’ዩ ደው ኣቢልዎ’ምበር፡ ብመንገዲ ኮቫክስ ናብ ኣፍሪቃ ዝመጽአ ክታበታት ኣስትራዜኔካ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ። ህንዳዊ ትካል ሰሩም ኢንስቲቱት ዓለማዊ ቀረባት ክታበት ኣስትራዜኔካ ከማልእን ነቲ ክታበት ከፍርን በቲ ንክታበት ኣስትራዜኔካ ዝሰርሐ ኦክስፎርድ ወግዓዊ ፍቓድ ዝተውሃቦ ትካል እዩ። እቲ ኣብ ኒው ደልሂ ዝመደበሩ ትካል ንሃንደበታዊ ምልባዕ ኮሮናቫይረስ ዝውዕል ክታበት ከዚኑ ምህላዉ እዩ ዝገልጽ። ዳይሬክተር ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ሕብረት ኣፍሪቃ ዶክተር ጆን ኒከንጋሶንግ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ምስ ክታበት ጆንሶን ኤንድ ጆንሶን ዘፍሪ ኣመሪካዊ ትካል፡ 400 ብልቃጥ ክታበት ንኽውሓሰሉን ክቐርበሉን ተፈራሪሙ ምህላዉ’ዩ ዝገልጽ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/56686407"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ሓይልታት ትግራይ ንሕብረት ኣፍሪቃ ነቒፎም","content":"እቶም ኣንጻር ሰራዊት ፌደራልን ኣብ ጎኑ ተሰሊፎም ዘለው ሓይልታት ዝዋጋኡ ዘለው ሓይልታት ትግራይ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ 'ዘይሻራዊ' ኣይኮነን ክብሉ ነቒፎም። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣቦ መንበር ኮሚሽን እቲ ሕብረት ሙሳ ፋቂ፡ ኣብቲ ዞባ ሰላም፣ ድሕነትን ፖለቲካዊ ዘተን ንምምጻእ ብዝብል ንፕረዚደንት ናይጄሪያ ነበር ኦሉሳጎን ኦባሳንጆ ላዕለዋይ ወኪል ቀርኒ ኣፍሪቃ ገይሩ ከም ዝሸሞ ይፍለጥ። ድሕሪ ሹመት እቲ ልኡኽ ርኢይቶ ዝሃበ ህወሓት ግን፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ኲናት ትግራይ ዘይሻራዊ ክኸውን እዩ ዝብል እምነት ከም ዘይብሉ ኣንጸባሪቑ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንህወሓት ኣብ መዝገብ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ኣስፊርዎ ከምዘሎን ፡ ንሳቶም ግን ሕጋዊ ኣመሓደርቲ ትግራይ ከም ዝኾኑን ይገልጹ። ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ቅልውላው ብዝምልከት፡ ፈዴራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ ስጉምቲ \"ሕገ መንግስቲ ናይታ ሃገር ንምኽባር'ዩ\" ብምባል፡ እዚ ኸኣ \"ዝኾነት ሃገር ክትገብሮ ሕጋዊ ሓላፍነት ኣለዋ\" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ''ናይታ ሃገር ሓድነትን ምርግጋእን ንምውሓስ ተባዕ ስጉምቲ እዩ ወሲዱ'' ድሕሪ ምባሉ ካብ ብዙሓት ወገናት ነቐፌታታት ክበጽሖ ጸኒሑ። እንተኾነ፡ እቲ ኣቦ ወንበር ክልቲኦም ወገናት ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ክዘራረቡ ጻውዒት ክገብር ከም ዝጸንሐን፡ ኣብ ኲናት ትግራይ ተፈጺሙ ዝብሃል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምምርማር ዘጻሪ ኣካል ኣበጊሱ ምንባሩ ይፍለጥ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ሃለዋት እቲ ንዓሰርተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ብዝተወሰነ መልክዑ ኣሚኑ ዝተቐበለን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወገነን እዩ ክብል ነቒፉ። ንሱ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ውድቡ ሽመት እቲ ኣሸማጋሊ ዝቃወም'ኳ እንተዘይኮነ እቲ ልኡኽ ግን \"ውጽኢት ከምጽእ'ዩ ኢልካ ትጽቢት ምግባር ዕሽነት'ዩ\" ኢሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ምስ ህወሓት ንምዝታይ ፍቓደኛ ከም ዘይኮነ ክገልጽ ጸኒሑ'ዩ። እቲ ወሃቢ ቃል ብሰንበት፡ \"ሰባት ከመይ ኢሎም ብኣድልዎ ሕማቕ ሽም ካብ ዝተዋህቦ ትካል ሃናጺ እጃም ክጽበዩ ይኽእሉ? ሓደ ቅልውላው ንምፍታሕ ዓቐን እቲ ጸገም ይትረፍ እሞ ብውሑድ ንህላውኡ ክትቕበል የድሊ\" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሩሲያን ቻይናን ዝድገፋ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት እቲ ቅልውላው ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ስለ ዝኾነ ዝኾነ ዓለምለኻዊ ጻዕሪ ብኣፍሪቃውያን መራሕቲ ወይ'ውን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቢሉ ክሓልፍ ኣለዎ ምባለን ይዝከር። እቲ ኲናት ምኽንያት ምዝንባል ኣሽሓት ክኸውን እንከሎ፡ ሚልዮናት ንሓደጋ ጥምየት ከም ዝተቓልዑ ብምግላጽ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ክኽሰት ከም ዝገበረ ዓለምለኻዊ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ይገልጻ። ኣብቲ ክልል ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ኣብ ኣፍ ዓጸቦ ከም ዝርከቡን፡ መኽዝን ትካላት ረድኤት ጥርሑ ክብሃል ኣብ ዝኽእል ደረጃ ከም ዝርከብን'ውን ክግለጽ ጸኒሑ ኣሎ። ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ 2021 ንርእሰ ከተማ መቐለ ሓዊሱ ንኣብዝሓ ከባቢታት ትግራይ ካብ ዝቆጻጸሩ ንድሓር፡ እቲ ኲናት ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒኹ ምኽንያት ምምዝባል ሰላማውያን ሰባት፣ ሞትን ዕንወት ንብረትን ይኸውን ከም ዘሎ ይግለጽ። መንግስቲ፡ ህወሓት ኣብ ከባቢታት ኣምሓራ፡ ኣብ ልዕሊ ትካለት ጥዕናን ኣብያተ ትምህርትን ዝምታን ዕንወትን ከም ዝፈጸሙ፣ ኣባይቲ ከም ዝተቓጸለ ብምጥቃስ ቤት ጽሕፈት ቐዳማይ ሚኒስተር ይኸስስ። ይኹን'ምበር እቲ ብህወሓት ዝምእዘን ንርእሱ 'ሕጋዊ መንግስቲ ትግራይ' ኢሉ ዝጽውዕ ኣካል \"ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ዝኾነ ይኹን ጭካነ ዝተላበሰ ተግባር ብትሪ ከምዝቃወም\" ብምግላጽ ነቲ ዝቀረበሉ ክሲ ክነጽጎ ጸኒሑ እዩ። ብሓፈሻ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሓይልታቱ ኣብ ዝተቖጻጸርዎም ቦታታት ተፈጺሞም ዝበሃሉ ገበናት እንተሃልዮም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝስይሞ ዘይሻራዊ ኣካል ምጽራይ ክግበር'ውን ይሓትት።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58381549"} {"headline":"ኤርትራ ዘይተሳተፈቶ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ","content":"ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ። ኣብቲ ብኣአንጋድነት ኣቦ-መንበር ናይቲ ውድብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ፡ መራሕቲ ኡጋንዳ፡ ሶማልያ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ጂቡቲን ይሳተፉ ኣለዉ። ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ብላዕለዎት ሰብስልጣኑ ተወኪሉ'ሎ። እታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ኣባል ሃገራት ዝምድናኣ ዘመሓየሸት ኤርትራ ግን ኣብቲ ኣኼባ ኣይተሳተፈትን። ኣብ ሚያዝያ 2007 ብሰንኪ'ቲ ምስ ኢትዮጵያን ዝነበራ ግርጭትን ጉዳይ ሶማልያን፡ ኤርትራ ካብቲ ውድብ ወጺኣ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2011 ተመሊሳ ነይራ። ኣብ ነሓሰ 2011፡ ሓደ ኤርትራዊ ዲፕሎማሰኛ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ኣኼባ ናይቲ ውድብ ክሳተፍ ኣብ ዝፈተነሉ፡ ብሓይሊ ከም ዝወጽእ ተጌሩ። ድሕሪ'ቲ ፍጻመ ድማ፡ ኤርትራ ኣብ ኣኼባታት ናይቲ ውድብ ኣይተሳተፈትን። ሃገራት ኢጋድ፡ ኤርትራ ኣብቲ ዞባ ዘይምርግጋእ ትፈጥር ኣላ ብምባል፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ማዕቀባት ክገብረላ ጸዊዑ ምንባሩ ይፍለጥ። ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ውዕል ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ግን፡ ናብቲ ውድብ ክትምለስ ሰብመዚ'ቲ ውድብ ከተባብዑ ጸኒሖም ኣለዉ። ስለምንታይ ክትምለስ ከም ዘይደለየት ዛጊት ብንጹር ኣይገለጸትን። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ግጭታት ኣብ ምፍታሕን ተጻብኦታት ኣብ ምቁራጽን ሃገራት ናይቲ ዞባ ኣብ ቀረባ እዋን ዘርኣይኦ ገስጋስ ንኢዱ። \"ኣብ ሰላምን ልምዓትን ናይቲ ዞባ ንምርግጋጽ ዝገበርኦ ጻዕርታት'ውን ኣመጒሱ\" ክብል ቤት ጽሕፈቱ ገሊጹ። ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዓመታት ነቲ ውድብ ከም ዝመርሓቶ ይፍለጥ። ዋና-ጸሓፊ ናይቲ ውድብ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነበር ዶ\/ር ወርቅነሕ ገበየሁ እዩ። እቲ በይነመነግስታዊ ብዓልመዚ ንልምዓት፡ ዝተባህለ ዞባዊ ውድብ ኣብ መጋቢት 1996 ኣብ ናይሮቢ ዝተመስረተ ኾይኑ፡ ንሰላም፡ ብልጽግናን፡ ውህደትን ናይቲ ዞባ ክሰርሕ ዝቖመ'ዩ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50603166"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ንሕብረት ኣፍሪቃ ስለምንታይ ተናእሶ ኣላ?","content":"ኢትዮጵያ ኣብ ምስረታ ኣህጉራዊ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝነበራ መሪሕ እጃም ዝፍለጥ'ዩ። እንተኾነ ተንታኒ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣሌክስ ደ ዋል እታ ሃገር ኣብዚ ሕዚ ጊዜ እቲ ሕብረት ንዝቖመሎም መሰረታዊ መትከላት ናብ ሓደጋ ተእትው ከምዘላ ይሕብር። ሰለስተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝነበሩ ኣባላት ፍሉይ ልኡኽ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ፤ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጎንጺ ሰላማዊ መፍትሒ ንምድላይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ቅድሚ ምእታዎም፡ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ \"ሕጊ ንምኽባር ዝፍጸም ናይ መወዳእታ ወፍሪ\" ዝበሎ መምርሒ ሂቡ ምንባሩ ይዝከር። እዚ ድማ ጉሉህ ዝኾነ ንጽገት ጻውዒት ንሰላማዊ ፍታሕ ነይሩ። ፕረዚደንታት ነበር ኤለን ጆንሰን ሰርሊፍ ካብ ላይቤሪያ፣ ጆኣኪም ቺሳኖ ካብ ሞዛምቢክ ከምኡ'ውን ክጋሌማ ሞትላንቴ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዓርቢ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ተራኺቦም'ኳ እንተነበሩ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከምዝቕጽለሉ እዩ ተነጊርዎም። እቲ ቀዳማይ ሚንስትር፡ ምስ ዝኾነ ይኸን ተወካሊ ናይቲ ንሱ \"ጉጀለ ገበነኛት\" ክብል ዝገልጾም መራሕቲ ህወሓት ክራኸቡ ከምዘይክእሉ'ውን ነቶም ልኡኻት ገሊጹሎም'ዩ። በዘይካ'ዚ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ከምእትርከብ ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብ ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ሰፊሩ ዝርከብ መትከላት ጣልቃ ዘይምእታው ጠቒሱ ኣብ ጉዳይ ሉኣላዊት ሃገር ከይኣትዉ ኣተሓሳሲቡ ምንባሩ ይዝከር። ናይጀያዊ ምሁር ሕጊ ቺዲ ኦዲንካሉ ግን፡ ኢትዮጵያ ነቲ ቻርተር ኲናት ንምጉህሃር ትጥቀመሉ ምህላዋ'ዩ ዝገልጽ። ንሱ፡ ኤርትራ'ውን ናብቲ ኲናት ኢዳ ከምዝሓወሰት ይግለጽ ብምህላዉን ስደተኛታት ናብ ሱዳን እናሰገሩ ብምዃኖምን እቲ ኲናት ዓለምለኻዊ መልክዕ ከምዝሓዘ ይዛረብ። ሕቡራት ሃገራት፡ ኩለን ሃገራት ንመትከላት ዘይምትእትታው [ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሉኣላዊት ሃገር] ከም ጉልባብ ብምጥቃም ግፍዕታት ከይፍጽማ ንምክልኻል ዘኽእል መሰረታዊ ሕጊ ኣታኣታትዩ'ዩ። ካብ 1981 ጀሚሩ ጎንጺ ናይ ምፍታሕ ግቡእን መሰልን ዘለዎ ኮይኑ፤ ካብ 2005 ንደሓር ድማ ሃገራት ዜጋታተን ካብ ጎንጽታት ክሕልዋ ሓላፍነት ክወስዳ ይግደዳ። ስግኣታት ገበናት ኲናት ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ንኣፍሪቃውያን ሸምገልቲ ብምንጻጉ፡ ንሰላም ዘሎ ተበግሶ ጥራይ ኣይኮን ዓጽዩ፤ እኳ ደኣስ ንመሰረታውያን መትከላት ሕብረት ኣፍሪቃ'ውን ተፈታቲኑ'ሎ። ኢትዮጵያ ኣብ 2002 ዝተሰማማዐትሉ ገዛኢ ሕጊ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝርከብ ዓንቀጽ 4 (ጂ)፡ 'ዝኾነት ኣባል ሃገር ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ካልእ ኣባል ሃገር ምትእትታው ዘይትገብረሉ\" ኩነታት ብንጹር ኣስፊሩ ይርከብ። እንተኾነ ዓንቀጽ 4 (ኤች) ነቲ ልዕል ክብል ዝተገለጸ ዓንቀጽ ይስዕቦ። እዚ ድማ \"ብዝርዝር ዝተገለጹ ከም ገበናት ኲናት፣ ዓሌታዊ ምጽናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝበሉ ሕሱም ኩነታት ኣብ ዝህልዉ ናብ ጉዳይ'ታ ኣባል ሃገር ኢዱ ክሓውስ\" ንሕብረት ኣፍሪቃ መሰል ይህቦ። እዚ ሕጋዊ መስርሕ ብድሕሪ'ቲ ኣብ ሩዋንዳ ብ1994 ዘጋጠመ ዓሌታዊ ምጽናት ዝተኣታተወ ኮይኑ፤ ኣፍሪቃ ኣብ መጻኢ ንኸምኡ ዝበለ ግፍዕታት ብኸመይ ክትከላኸሎ ከምዘለዋ ኣንፈት ንምንጻር ብሓባር ዝተወሰነ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ግፍዕታት ብምፍጻም ንህወሓት ይኸስስ'ኳ እንተሃለወ እቲ እኹል ሓበሬታ ንምርካብ ዝሕግዝ ተዓጽዩ ዘሎ ሜላታት መራኸቢ ምስዝኽፈት ግን ብኽልቲኦም ወገናት ዝተፈጸሙ ገበናት ኲናት ክቃልዑ ከምዝኽእሉ ይገልጹ ተዓዘብቲ። ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ናብ ዝርከቡ መዓስከራት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምእታው ዝጨወይዎም ሰባት ከምዘለዉ ዝገልጹ ሓበሬታታት ይወጽኡ ኣለዉ። እዚ ድማ ንውዕሊ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝጥሕስ ከምዝኸውን ይፍለጥ። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ንባዕሉ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጉዳይ እታ ከቢድ ፖለቲካዊ ቅልውላው ዘጋጠማ ሱዳን ምትእትታው ከምዝገበረ ይዝከር። እቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ጎንጺ ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ንምግባር ዝከኣሎ ገይሩ ነይሩ። ሱዳን ናብ ዴሞክራሲ እትገብሮ ስግግር ኣብ ኢድ ሕብረት ኣፍሪቃ እንተወደቐ፡ እቲ ሕብረት ግን ጥንኩር ኣይኮነን። ዝተሓተ ዓቕሚ በጀት'ዩ ዘለዎ። ውሳነታቱ ከፈጽም'ውን ኣይክእልን። ሓይሊ ኣብ ዘይተመልኦ ኣካይዳታት ዝምስረት እቲ ሕብረት፤ ንልምድታት ሰላምን ምትሕብባርን ኣጥቢቑ ብምሓዝ፤ መራሕቲ ኣፍሪቃ ብሓባር ክዓብዩስ ወይ ብሓባር ክወድቁ እንተኾይኖም ኣብ ሓበራዊ ጉዕዞኦም ከምዝምስረት'ዩ ዘእምኖም። ኣቦ መንበር እቲ ሕብረት ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ብሰላማዊ ዝርርብ ከብቅዕ'ዩ ጸዊዑ። እንተኾነ ኣካይድኡ ነቶም ክማልኡ ዝነበሮም ዲፕሎማሲያዊ ረቛሕታት ኣብ ግምት ዘየእተወን ትርር ዘይበለን ከምዝኾነ ይግለጽ። ምስቲ ኣብ ጉዳይ ሊብያን ሱዳንን ዝነበረ ኩነታት ክነጻጸር ከሎ፤ ኣብቶም እዋናት መራሒ ሕብረት ኣፍሪቃ ንመራሕቲ ሃገራት ዘሳተፈ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣካይዱ ነይሩ። ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ግን ነዚ ምግባር ኣይተኽኣለን። እታ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ንኣፍሪቃ ካብ ዝወከላ ሰለስተ ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት ደቡብ ኣፍሪቃ፤ ነቲ ሕቡራት ሃገራት ብሰኑይ ከካይዶ ሓሲቡ ዝነበረ ኣኼባ ኣተኣጓጒላቶ'ያ። ነዚ ዘቕረበቶ ምኽንያት ድማ ፈለማ ንጸብጻብ እቶም ናብ ኢትዮጵያ ዝኸዱ ሰለስተ ኣባላት ፍሉይ ልኡኽ ክንሰምዕ ዝብል'ዩ። ኢትዮጵያ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ብምዃና፤ ኣብ መዓልታዊ ጉዳያት እቲ ሕብረት ሰፊሕ ጽልዋ'ያ ትገብር። ኣብ ካልኦት ሃገራት ግን ልክዕ ከምቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንኢትዮጵያ ተዋሂቡ ዘሎ መላወሲ ዕድል ተራእዩ ዘይፈልጥ ምዃኑ ዘተሓሳሰበን ሃገራት ኣይተስኣናን። \"ሕብረት ኣፍሪቃ ንኻልኦት ሃገራት እምበር ንኢትዮጵያ ኣይኮነን\" መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምስዝተዋፈሩ ዓቀብቲ ሰላም ዝተልኣኹ ተወለድቲ ትግራይ ይስሕብ ከምዘሎ ንሰነድ ሕቡራት ሃገራት ዝጠቅስ ጸብጻብ መጽሔት ፎረይን ፖሊሲ የመልክት። ሕብረት ኣፍሪቃ ተወላዲ ትግራይ ንዝኾነ ሓላፊ ጉዳያት ጸጥታ ካብ ስርሑ ክስጎግ እውን ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕቶ ብምቕራቡ ተፈጻሚ ኮይኑ'ዩ። ኣብዚ ሰሙን ድማ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ንላዕለዎት ሸምገልቲ ኣፍሪቃ ነጺጉ'ዩ። ትማሊ ሰራዊቱ ንከተማ መቐለ ከምዝተቖጻጸሩን እቲ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከምዝተዛዘመን ዝገለጸሉ መገዲ ድማ፡ ንሰለም ዝሽምግሉ ኣካላት ከምዘየድልዩ ንምሕባር ከምዝደለየ የመልክት። እንተኾነ ሸምገልቲ ኣፍሪቃ ግን በዚ ዝተኣማመኑ ኣይመስሉን። ሓደ ላዕለዋይ ሲፕሎማሰኛ ሕብረት ኣፍሪቃ \"ኣብዪ ሕብረት ኣፍሪቃ ንኻልኦት ሃገራት እምበር ንኢትዮጵያ ከምዘይኮነ እዩ ዝሓስብ\" ክብል ብዓርቢ ገሊጹ ነይሩ። እቲ ቀዳማይ ሚንስትር ንዝቐረበ ሽምግልና ምንጻጉ፤ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ኣፍሪቃ ዘጋጥሙ ዝነበሩ ኲናት ሓድሕድ ብሓይሊ ኣጽዋርን ሰላማዊ ዝርርብ ብዘይብሉ መገዲን ናብ ዝፍትሑሉ መገዲ ዘዘኻኽር'ዩ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55120076"} {"headline":"መንግስቲ ሶማልያ ምስ ኬንያ ዘለዎ ዲፕሎማስያዊ ርክብ በቲኽዎ","content":"ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ምስ ጎሮቤቱ ሃገረ ኬንያ ዝነበሮ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ከምዝበተኾ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ናይሮቢ ዝነበሩ ዲፕሎማሰኛታቱ ብምስሓብ፡ ኣብ መቓድሾ ዘለዉ ዲፕሎማሰኛታት ኬንያ ካብ ሃገሩ ንክወጹኡ ናይ ሸውዓተ መዓልታት ዕድል ሂብዎም ኣሎ። ነዚ ምቁራጽ ዲፕሎማስያዊ ርክባት፡ ሚኒሰትር ዜና ሶማልያ ዖስማን ኣቡካር ዱበ ኣብ ሃገራዊት መደበር ተለቪዥን ብምቕራብ እዩ ገሊጽዎ። ሚኒስተር ዖስማን ኣቡካር ዱበ ኣብ መግለጺኡ፡ መንግስቱ ምስ ኬንያ ዝነበሮ ርክብ ከቋርጽ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ። “መንግስቲ ሶማልያ፡ ነቲ ብዓለም ለኻዊ ሕጊ ዝተወሓሰ ልዑላውነቱ ተጠቒሙ፡ ቅዋም ሶማሊያ ንምሕላውን ርግኣትን ሓድነትን ንምውሓስን ምስ መንግስቲ ኬንያ ዝነበሮ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ከቋርጽ ወሲኑ’ሎ” ኢሉ። እቲ ውሳነ፡ ሶማልያ ኣብ ልዕሊ ኬንያ ዘለዋ ተቓውሞ ናብ ኣቦ ወንበር ኢጋድ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ድሕሪ ዝጽሓፈቶ ደብዳበ እዩ ተወሲኑ። ሶማሊያ ኣቐድም ኣቢላ፡ ኬንያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያታ ትኣቱ ምህላዋ ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ጸኒሓ እያ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55313519"} {"headline":"ኣብ ካሜሩን ኣስታት 22 ሰለማውያን ሰባት ተቐቲሎም","content":"ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ካሜሩን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካብ ሓንቲ ቁሸት ጥራይ፡ ኣስታት 22 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ካብቶም ዝተቐትሉ ፍርቆም ቆልዑ ከም ዝኾኑን፡ ገለ ካብቶም ግዳያት ድማ ብህይወቶም እንከለው ከም ዝነደዱን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን። ክሳብ ሕጂ ሓላፍነት ናይቲ መጥቃዕቲ ዝወሰደ ኣካል የለን። እንተኾነ ግን፡ ተቓወምቲ ሰልፍታት ንሰራዊት እታ ሃገር እዮም ዝነቕፉ። መንግስቲ ካሜሩን ኣብ ዝሓለፈ ተኸታተልቲ ዓመታት፡ ኣብ ዞባ ኣንግሎፎን ምስ ዝርከቡ ተቓወምቲ ኣብ ኲናት ተጸሚዱ ከምዝርከብን፡ እቲ ኲናት ህይወት ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝለከመን ይሕበር። መንግስቲ ካሜሩን ግን ብዛዕባ'ዚ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ርእይቶ የለን። እቲ ዝጋጠመ መጥቃዕቲ፡ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ስንባደ ከም ዘእተዎም ሓለፊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት ንቢቢሲ ሓቢሩ። ሓደ ካብቶም ቀንዲ ተቓወምቲ ሰልፍታት'ውን፡ እቲ መጥቃዕቲ በቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ \"ውልቀ-መላኺ\" መንግስቲ ካሜሩን፡ ብሓላፊ ሓይልታት ጸጥታ ካሜሩን ተፈጺሙ ክኸውን ይኽእል እዩ ክብል ተዛሪቡ። ሰብመዚ ሰራዊት ከሜሩን ንኤ.ኤፍ.ፒ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ግን፡ ነቲ ክሲ ነጺጎምዎ ኣለው። ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዝርከብ ዞባ ኣንግሎፎን፡ ርእሰ-ምምሕዳር ክፍቀደሉ ንዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ዘቕረቦ ጠለብ፡ ነታ ሃገር ኣብ ፖለቲካዊ ቅልውላው ክትሽመም ገይሩዋ እዩ። መንግስቲ ካሜሩን ግን፡ ነዚ ንነዊሕ እዋን ተዓቢጡ ክኸይድ ዝጸንሐ ሕቶ ርእስ-ምምሕዳር ከም ዘይቅበሎ'ዩ ዝገልጽ። መንግስቲ ካሜሩን፡ ነዞም ርእሰ-ምምሕዳር ዝጠልቡ ከም \"ግበረ-ሽበራውያን\" ከም ዝርእዮምን ንሓያሎ መራሕቲ ናይቲ ዞባ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ ከም ዘሎን ይሕበር። ብሰንኪ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኲናት ልዕሊ 3,000 ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ ኣስታት 70 ሽሕ ሰባት ካብ ቤቶም ከምዝተመዛበሉ ጸብጻባት የመልክቱ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51527612"} {"headline":"መራሕቲ ዕልዋ መንግስቲ ማሊ ምስ ተቓወምቲ ዘትዮም","content":"መራሕቲ እቲ ብሰሉስ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ማሊ ነቲ ስጉምቲ ምስ ዝደገፉዎ መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፊታት ተዛትዮም። እቲ ፕሬዝደንት ምስፍሕፋሕ ጅሃዳውያን ዕጡቓትን ውድቀት ቑጠባዊ ዕብየት እታ ሃገርን ክቆጻጸር ኣይክኣለን ብዝብል ነቒፎምዎ። እቲ ልፍንቲ ተቓወምቲ ድማ፡ እቶም ወተሃደራት ስቪላዊ ስግግር መንግስቲ ንክምስረት ንዝወሰዱዎ ስጉምቲ ንንእድ ኢሉ። ወተሃደራዊ ኮሎኔል ኣሲሚ ጎታ ሓድሽ መራሒ ሰራዊት ማሊ ኮይኑ ኣሎ። ሰራሕተኛታት መንግስቲ ድማ ናብ ስራሕ ቦትኦም ክምለሱ ጸዊዑ። እንተኾነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ኾኒኑ። መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ብወገኖም፡ እቲ ስጉምቲ 'ክርደና' እዩ ኢሎም ብምኹናን ሎሚ መዓልቲ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ከም ዝዛተዩ ኣፍሊጦም። ኮሚሽን ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብምኽንያት እቲ ዕልዋ መንግስቲ ንማሊ ካብ ኣባልነት ኣጊዱዋ ይርከብ። እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እታ ሃገር ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ክሳብ ዝህሉዋን ኣብ ቀይዲ ዘሎ ፕሬዝደንት፣ ቀዳማይ ሚኒስትርን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ክሳብ ዝፍትሑ ክትእገድ እያ ይብል። ኣቦ መንበር እቲ ሕብረት ስሪል ራማፎሳ'ውን እቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዘሎ ፕሬዝደንት ኢብራሂም ባውባካር ኬታ ክፍታሕ ሓቲቱ። እታ ሃገር'ውን ቐልጢፋ ናብ ስቪላው ምምሕዳር ክትምለስ ኣተሓሳሲቡ። ሕብረት ኤውሮጳ ብወገኑ እቲ ፕሬዝደንት ንክፍታሕ ከም ዝሓተተ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ። እዞም ንፕረዚደንት ማሊ ኢብራሂም ባቡከር ከይታ፡ ኣብ ቀይዲ ዘእተዉ ወተሃደራት፡ ሲቪላዊ መሰጋግሪ ምምሕዳር ከምዝመስሩ'ውን ገሊጾም ኣለው። ነዚ ድማ፤ ኣብ ቀረባ እዋን ሃገራዊ መረጻ ንክካየድ ከምዝገብሩ ቃል ኣትኦም። ወሃቢ ቃል ቶም ዝኣደሙ ወተሃደራት፡ እቲ ዝወስደ ስጉምቲ እታ ሃገር ናብ ቅልውላው ከይትኣቱ ንምድሓን ምዃኑ ተዛሪቡ'ሎ። እቶም ኣብቲ ኣድማ ዝተሳተፉ ወታደራት፡ ንባዕሎም 'ሃገራዊ ኮሚቴ ንህዝባዊ ድሕነት' ኢሎም ዝሰየሙ ኮይኖም ኣብ ስልጣን ናይ ምጽናሕ ድሌት ከምዘይብሎም ይገልጹ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/53831018"} {"headline":"ሕብረት ኣፍሪቃ ኩሎም ወገናት ጎንጺ ካብ ዘጓሃህሩ ተግባራት ክቑጠቡ ኣተሓሳሲቡ","content":"ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ በቲ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 32 ሰባት ከምዝሞቱ ክሕብር ከሎ፡ መሰኻኽር ዓይኒ ብወገኖም፡ እንተወሓደ 54 ከምዝበጽሑ ይዛረቡ። ኮሚሽነር ፖሊስ ኦሮሚያ ኣራርሳ መርዳሳ ንሃገራዊ ቴለቪዥን ከምዝገለጾ፡ ብሰንበት ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተቐተሉ ንጹሃን ዜጋታት 32 እዩ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ነቲ ኮሚሽን ፖሊስ ኦሮሚያ ዘቐመጦ ቁጽሪ ብምጥቃስ፡ እንተኾነ ብዝሒ ግዳያት ክውስኽ ከምዝኽእል ይሕብር። ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ማህማት፡ በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንዘጋጠመ ሞት ንጹሃን ዜጋታት ኮኒኑ’ሎ። እቲ ሕብረት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ጉጅለታት ተሓተትቲ ክገብር ኣተሓሳሲቡ። ኣብ ሞንጎ ማሕበረሰብ ዝፍጠሩ ጎንጽታት እናተጋደደ ምምጽኡ ዘዘኻኸረ መግለጺ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ “ኩሎም ኣካላት ጎንጽታት ካብ ዘጓሃህሩ ተግባራት ክቑጠቡ ኣለዎም” ኢሉ። ኣብታ ሃገር ዝፍጠር ጎንጺ ንምህደእ ጻዕሪ ምግባር ከምዘድልይ ብምሕባር ድማ፡ ንኹሉ ዘሳትፍን ናብ ብሄራዊ ዕርቂ ዝወስድን ዘተ ፖለቲከኛታት ክካየድ ከምዘለዎ ገሊጹ። እዚ ኣብ ዘይኸውን ግን እቲ ዘይምርግጋእ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ስግኣት እቲ ዞባ ክኸውን ከምዝኽእል፡ ኣቦ መንበር እቲ ኮሚሽን ሙሳ ፋኪ ኣጠንቂቑ። ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ምርግጋእን ንክሰፍን ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ከምዝሕግዝ ድማ፡ ተዛሪቡ። ዓለም ለኻዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ካብ 54 ዘይውሕዱ ተወለድቲ ኣምሓራ በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከምዝተቐተሉ፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ የመልክት። ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ነቲ ከባቢ ገዲፉ ምስወጽአ ኣባላት ኦነግ (ግንባር ናጽነት ኦሮሞ) ከምዝኾኑ ዝግመት ዕጡቓት፡ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ እቲ ትካል ይሕብር። ሰራዊት ምክልኻል ንምንታይን ብኸመይን ነቲ ከባቢ ገዲፉ ክወጽእ ከምዝኸኣለ፡ ክጻረይ ይግባእ ኢሉ’ሎ፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል። በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካብ ሞንጎ ዝሞቱ ሰባት፡ ህጻናትን ደቂኣንስትዮን ከምዝርከብዎም’ውን፡ ኣፍሊጡ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54796063"} {"headline":"ወተሃደራት ቱርኪ ንሊብያ ክኣትው ጀሚሮም","content":"ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይፕ ኤርዶጋን፡ ወተሃደራት ቱርኪ ናብ ሊብያ ክኣትው ከምዝጀመሩ ሓቢሩ። ዝሓለፈ ሰሙን፡ ባይቶ ቱርኪ፡ ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተቐባልነት ዘለዎ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምሕጋዝ፡ ቱርኪ ሰራዊት ክትልእኽ ከምዝተማምዑ ይፍለጥ። እቲ ፕረዚደንት ከምዝሓበሮ፡ ሰራዊት ቱርኪ ኣብ ውሕስነት እቲ ኣብ ትሪፖሊ ዝርከብ መንግስቲ ከምዝዋፈር ኣፍሊጡ። እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ሊብያ፡ ምስቶም ብጀነራል ካሊፋ ሓፍጣር ዝምርሑን ኣብ ምብራቓዊ ሊብያ ዓሪዶም ዘሎውን ዕጡቓት እዩ ዝዋጋእ ዘሎ። ከተማ ትሪፖሊ ንምሓዝን ዝፍትን ዘሎ ካሊፋ ሓፍጣር፡ ብሃገራት ግብጽን ኢማራት ዓረብን ዝድገፍ ኮይኑ፡ እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ሊብያ ድማ፡ ብቱርክን ቐጠረን እዩ ዝድገፍ። ብካሊፋ ሓፍጣር ዝምርሑ ሓይልታት፡ ኣብ ቅንያት ብዘካየድዎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ፡ ኣስታት 30 ሰባት ከምዘተቐትሉ ይግመት። እንተኾነ ግን፤ ኣብቲ መጥቃዕቲ ኢድ ከምዘይብሎም ገሊጾም። እስራኤል፣ ግሪኽ ከምኡ'ውን ሳይፕረስ ንምትእትታው ቱርኪ ተቓዊሞምዎ ኣለው። እቲ ምትእትታው ቱርኪ ኣብቲ ዞባ ዘይምርግጋእ ከስዕብ ከምዝኽእል ኣጠንቒቆም። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዛዕባ ኩነታት ሊብያ ንምዝርራብ ሎሚ ክራኸቡ እዮም። ኣብ 2011 ብኪዳን ሓይልታት ኣትላንቲክ ዝተደገፈ ህዝባዊ ተቓውሞ ንስርዓት ሙዓመር ጋዳፊ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምዕላዉ፡ ሊብያ ድልዱል መንግስቲ ክትምስርት ኣይከኣለትን ዘላ። ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ናይታ ሃገር ድማ ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ክትሕቖን ጸኒሓ ኣላ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/51004116"} {"headline":"ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንርክብ ኣፍሪቃን ቻይናን ይፈታተኖ ኣሎ","content":"ቻይና ምስ ለበዳ ኮቪድ-19 ዝተኣሳሰር ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታታ ኣብ ኣፍሪቃ ከተሐይሎ ትረአ ኣላ። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን፡ ነተን ዓቢ ልቓሕ ሂባተን ዘላ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምድጋፍ ዝኾነ ለውጥታት ዘይምግባራ፡ ነቲ ኣብታ ኣህጉር ዘለዋ ጥሙሕ ዕንቅፋት ከይኮና ኣይተርፍን'ዩ። ኮቪድ-19 ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ለሓመ፡ ቻይና ሰብኣዊ ሓገዛት ብምብርካት ኣብታ ኣህጉር ዘለዋ 'ልስሉስ ሓይሊ' ሱር ከምዝሰድድ ትገብር ኣላ። ነቲ ካብ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ዕደአን ክትስርዘለን ዝቐረበላ ምሕጽንታ ግን ዛጊት 'ጸማም እዝኒ\" ሂባቶ ትርከብ። ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ቻይና ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ምስ ኮሮናቫይረስ ተታሓሒዙ ዝወረዶም ኣደራዕ፡ ቻይና ነቲ ተግባር ኣመልኪታ ዝሃበቶ 'ነብሰ ምክልኻል' ዝዓብለሎ ግብረ መልሲ ኸኣ ነቲ ኣብ ሞንጎ ቻይናን ኣፍሪቃን ዘሎ ርክብ ናብ ክትዕን ጥርጣረን ከምዘምርሕ ገይርዎ'ሎ። እቲ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሚያዝያ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኣፍሪቃውያን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓያል ቁጠዐ ዝፈጠረን፡ ንርክብ ኣፍሪቃን ቻይናን ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእተወን'ዩ ነይሩ። ዋላ'ኳ፡ ቻይና ኣንጻር ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተኸተለቶ ስትራተጂ፡ ኣብ ጸለውቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣድናቖት ረኺቡ እንተነበረ፡ ሕጂ ግን፡ ንቻይና ብዓሌትነት ዝኸስስን፡ ጥቕማ ጥራይ ዘገድሳ ሃገር ከም ዝኾነት ዝገልጽን ኣሉታዊ ጸብጻባት መራኸቢ ብዙሃን እናዓብለለ መጺኡ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ሓደ ዕቁድ፡ ቻይና ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝቐርበላ ናይ ልቃሕ ሕቶ ብዘይቅድመ ኩነት ማዕጾ ካዝናኣ ወትሩ ርሑው እያ ገይራቶ ጸኒሓ። ዘይከም ካልኦት ለገስትን ኣለቃሕትን ሃገራት፡ ንገለ ሰባዊ መሰላት ዜጋታቶም ዘየኽብሩ መንግስታት ከይተረፈ ዕሽሽ ኢላ፡ ዝሓተትዎ ክትህቦም ጸኒሓ'ያ። ከም ውጽኢቱ ምስ ምዕራባውያን ሃገራትን ትካላትን ብምንጽጻር፡ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ትረኽቦ ኩንትራት ናይ ዓበይቲ ትሕቲ ቅርጺ ከተውሕስ ሓጊዝዋ እዩ። ናይ ሕክምና ዲፕሎማሲ ብ10 መጋቢት 2020 ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ ዋላ መጠንን ንመንን ከምዝሃበ ኣይግለጽ፡ ሃገሩ ንኣፍሪቃ ገንዘብን ንዋታዊ ሓገዝን ከምዘበርከተት ገሊጹ ነይሩ። እቲ ካብ ቻይና ናብ ኣፍሪቃን ካልኦትን ዝውሃብ ዘሎ ሓገዝ፡ እቲ ካብ ቢልዮነር ጃክ ማ ዝውሃብ ዘሎ ሕክምናዊ ሓገዛት ክጥቀስ ይክኣል'ዩ። ጃክ ማ ካብ 27 ሚያዝያ ጀሚሩ ሰለስተ ግዜ ንዋታዊ ደገፍ ናብ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ሰዲዱ'ሎ። እዚ ናይ ጃክ ማ ሓገዝ 4.6 ሚልዮን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን፡ 500 ሽሕ መትሓዚ ቅምሶን መመርመርን፡ 300 መካኒካዊ ቬንትለተርን፡ 200 ሽሕ ምሉእ መከላኸሊ ልብሲን ይርከቦ። ቻይና ንኮቪድ-19 ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃ ዘለዋ ጽልዋ ሱር ክሰድድን፡ ሃገራት ምዕራብ ብፍላይ ኸኣ ኣሜሪካ ምስ ኣፍሪቃ ዘለወን ርክብ ብምብታኽ ላዕለዋይ ኢድ ንኽህልዋን እያ ትጥቀመሉ ዘላ። ፕረዚደንት ቻይና ዢን ጂንፒንግ ምስ ሓያለ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ዝተዘራረበን ሓገዛት ከም ዘበርክተሎም መብጽዓ ብምእታው ኣብ ዓለም ዘለዎ ጽልዋ ክስርት ተራእዩ እዩ። ኣገልግሎት ዜና ሽንህዋ'ውን ነዚ ሰረት ኣብ ምድልዳል ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ኢምባሲታት ቻይና ንዝገብርዎ ሓገዛት ሰፊሕ ሸፈነ ክትህቦ ተራእያ እያ። ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ርዋንዳ እውን \"ቻይና እተበርክቶ ዘላ ልቦናዊ ሓገዝ፡ ዓለማዊ ብድሆታት ንምምካት ዘለዋ ቅርቡነት ዘረጋግጽ'ዩ\" ኢሉ ነይሩ። ቻይና፡ ነዚ ጽልዋ ንምፍጣር ትገብሮ ዘላ 'ስዉር' ጎስጓስ ብሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ብመንግስታዊ ማዕከን ዜናን ቻይናውያን ሰብ ርእሰማልን እያ ትቕልሶ ዘላ። ነቲ ዝውሃብ ዘሎ ሕክምናዊ ሓገዛት ልዕሊ እቲ ዝግብኦ ምውዕዋዕን ሸፈነ ብምሃብ ንቻይና ናብ ዝለዓለ ጽፍሕን ንምድያብን ከም እንኮ መሻርኽቲ ከምዝኾነት ምስላ ንምኹላዕ ዝግበር ዘሎ'ዩ። ከም ሲጂቲኤን ከምኡ እውን ሽንህዋ ዝኣመሰላ ማዕከናት ዜና ኸኣ እተን ምስሊ ቻይና ኣብቲ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ተዘርጊሒለን ዘሎ መስኣሊ (ካንባስ) ዝቐብኣ ዘለዋ እየን። እዘን ማዕከናት ዜና ቻይና ብዛዕባ ኣፍሪቃ ዘለዋ ሻቅሎትን ተገዳስነትን ብምግላጽ ውልቀ ዜጋታት ቻይና ከይተረፉ ንኣፍሪቃ ንምሕጋዝ ገንዘባውን ተክኒካውን ማሎም ከምዘይበቁ'የን ዘጋውሓ። ንኣፍሪቃ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሰርሕዎ ዜና ከኣ \"ምሕዝነት\" ከምኡ እውን \"እምንቲ መላፍንቲ\" ዝብላ ቃላት ክደጋግምወን ይስምዑ'ዮም። 'ስሙም' ሓገዝ ፓንች ዝተበሃለት ኣብ ናይጀራያ ዓቢ ዝርገሐ ዘለዋ ጋዜጣ፡ 5 ሚያዝያ ንንባብ ካብ ዘብቅዓቶ ዓንቀጽ፡ ናይጀርያ ነቲ ካብ ቻይና ዝቐረበላ ሓገዝ ናይ ዶኳትር፡ ምስ ኮሮናቫይረስ ተተሓሒዙ ኣብ ቻይና እምነት ስለዘይብላ ነቶም ካብ ቻይና ክልኣኹ ዝተሓሰቡ ቻይናውያን ዶኳትር ከም ዝተሓሰመቶም ገሊጻ ኣላ። ቅድሚ ክልተ መዓልታት ናይዚ ፍጻመ እውን ራድዮ ብያፍራ፡ ናይጀርያ \"ስኑዕ መድሃኒታትን መመርመርን ካብ ቻይና ከይትቕበል\" ዝምሕጸን መደብ ኣቕሪባ ነይራ'ያ። እታ ሬድዮ ነቲ ብቻይና ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝምጦ ዘሎ ሓገዝ \"ዝተሰመመ ሓገዝ\" ክትብል እያ ገሊጻቶ። ኣብቲ ሬድዮ ነቲ ዝርርብ ዝመርሕ ዝነበረ ጋዜጤኛ ንቻይና 'ሰይጣን' 'እከይ' 'ደም እትመጹ' ኢሉ እዩ ገሊጽዋ። ንቻይና ኢድ ምንሳእን ዓሌታውነትን ኣብ ጉዋንዞ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሚያዝያ ኣፍሪቃውያን ብቻይናውያን ኣናተጋፍዑ ዘርኢ ተነቀሳቓሲ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስ ተዘርግሐ ኣብ ልዕሊ ቻይና ሓያል ነቐፌያ እዩ ወሪዱ። ኣብቲ 'ቪድዮ' ኣፍሪቃውያን ካብ መንበሪ ገዘኦም ኣናተሰጎጉን ብሓይሊ እናተወሸቡን እዩ ዘርኢ። እቲ ምኽንያት ኸኣ ጸለምቲ ቀንዲ ምኽንያት ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እዮም ዝብል እዩ። ኣብ ኬንያ እትሕተም ደይሊ ኔሽን ዝተብሃለት ጋዜጣ 20 ሚያዝያ ኣብ ዝሓተመቶ ጽሑፍ \"ቀንዲ ምንጭን ምኽንያትን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከም ማይ ንግሆ ብሩህ እንከሎስ ናብ ኣፍሪቃውያን? እዚ መስሓቕ ዘይርትዓውን ዘለፋን'ዩ\" ክትብል እያ ገሊጻቶ። እታ ጋዜጣ ብምስዓብ \"መንግስትና [መንግስቲ ኬንያ] ምስ ቻይና ዘለዎ ርክብ ንምኽሳብ ኢድ ክነስእ ይረአ'ዩ፡ እዚ 'ዩ ኸኣ ዓገብ ከይብል ትብዓት ኣስኢንዎ ዘሎ\" ትብል። ካልእ ስታንዳርድ ዝተብህለት ጋዜጣ ኬንያ'ውን ነቲ ግብረ መልሲ ናይ ቻይና 'ዕንጅልና' እዩ ብምባል፡ ሓደ ቻይናዊ ኣብ ኬንያ ምስ ተጋፈዐ ቻይና ዝሃበቶ ምፍርራሕ ዝሓዘለ ግብረ መልሲ ብምጥቃስ፡ ርክብ እዘን ክልተ ሃገራት ሚዛኑ ዝሓለወ ከምዘይኮነ ምጉት ተቕርብ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እትርከብ ዓቢ ጽልዋ ዘለዋ ደይሊ ማቫሪክ እትብሃል መርበብ ሓበሬታ እውን እቲ ኣብ ቻይናዊት ከተማ ጉዋንግዙ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ዝወረደ ኣደራዕ፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ኣፍሪቃን ቻይናን ዘሎ ርክብ ዓነውነው ከብል ዝኽእል ምንቕናቕ እምነ ኩርናዕ ምዃኑ እያ ገሊጻቶ። ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ተጠቐምቲ ማሕበራዊ ሚድያ'ውን ነቲ ኣብ ቻይና ዝተፈጸመ 'ግፍዒ' ብምኹናን ኣብ ልዕሊ ቻይና ዘለዎም ኣረኣእያ ብኣሉታ ዝተቃነየ ምዃኒ ክገልጹ ተራእዮም እዮም። ስቅታ ኣብ ሩፍታ ዕዳ ቻይናውያን ሰብ መዚ፡ ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተተሓሒዙ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝቐርበሎም ዘሎ ሕቶ ምንዋሕ ክፍሊት ዕዳን ሕቶ ሓዲሽ ልቓሕን ጸማም እዝኒ'ዮም ሂበሞ ዘለዉ። ቻይና ኣብዚ እዋን እዚ እታ ዝበዝሐ ገንዘብ ንኣህጉር ኣፍሪቃ ዘለቀሐት ሃገር እያ። ጎኒ ጎኒ እቲ ልቃሕ እውን ኣብዛ ኣህጉር ዓበይቲ ትሕተ ቅርጽታት ብምምዋል'ውን ኣብ ቅድሚት እያ ትስራዕ። ብ13 ሚያዝያ 2020 ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ 25 ትሑት ኣታዊታት ዘለወን ሃገራት ዝነበረን ናይ 500 ሚልዮን ዶላር ዕዳ፡ ዝኸፍላሉ እዋን ብምንዋሕ 'ሩፍታ' ፈጢሩለን፡ ካብዚአን እተን 19 ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት እየን። ቻይና ግን ነቲ ዕድል ናይ ዕዳ ከተጽንዖ ከምዘድልያ እያ መልሲ ሂባትሉ። ኣቐድም ኣቢሉ'ውን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና \"ምንጪ ኣፍሪቃ ትዕድየሉ ዘላ ምኽንያት ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ኮይኑ ካብ ሃገር ናብ ዝፈላለ'ዩ\" ኢሉ ነይሩ። መርበብ ሓበሬታ ደይሊ ማቫሪክ፡ ቻይና ንሃገራት ኣፍሪቃ 145 ቢልዮን ከምትእውደን ብምጥቃስ፡ እዚ ሕጂ ሃገራት ኣፍሪቃ ንቻይና ዝሓተኣ ዘለዋ ሓገዝ፡ ቻይና እትህቦ ግብረ መልሲ ኣብ መጻኢ ርክባት ቻይናን ኣፍሪቃን ዓቢ ተራ ከምዝህልዎ'ያ ኣብ ጽሑፋ ኣስፊራ ዘላ። ሓደ ክስሓት ዘይክእል ከኣ ስግኣት ኮቪድ-19 ምስ ኣብቀዐ ሃገራት ቁጠባዊ ብድሆ ኣብ ቅድሚአን ተኾዲሙ ከምዝጸንሐን ፍሉጥ'ዩ፡ እቲ መድረኽ እቲ ኸኣ ንርክብ ኣፍሪቃን ቻይናን ክፍትኖ'ዩ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52484489"} {"headline":"ኢትዮጵያ ንሱዳናዊ መራሒ ተቓዋሚ ሒዛ ከተረክቦ ፈቲና","content":"ኣብ ከተማ ኣዲስ አበባ ኣብ መንጎ ሓይልታት ሱዳን ይካይድ ኣብ ዘሎ ልዝብ ዝሳተፍ ዘሎ መራሒ ተቓዋሚ ውድብ ሱዳን ጂብሪል ኢብራሂም፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሕሊፎም ክህቡዎ ከምዝፈተኑ ተገሊጹ። እቲ ክስተት ንምጽራይ ቢቢሲ ሕቶ ዝቕረበሉ ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣይተ ነቢያት ጌታቸው፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዝፈልጦ ነገር ከምዘየለ ተዛሪቡ። እዚ ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ሓይልታት ሱዳንን ግዝያዊ ወተሃደራዊ መንግስትን ዝካየድ ዘሎ ልዝብ ነቲ ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ቅልውላው ከብቅዕ እዩ ተባሂሉ ዝተኣመነሉ እዩ። ቅድም ክብል እቲ ስልጣን ተቖጻጺሩ ዘሎ ግዝያዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ምሰ ሓይልታት ተቓውሞ ስልጣን ንምምርቓሕ ኣብ ስምምዕ ምብጽሑ ዝዝከር እዩ። ትማሊ ሰንበት ሰብ-ስልጣን ኢትዮጵያ ብሕቡእ ነዚ መራሒ ተቓዋሚ 'ምንቅስቓስ ንፍትሕን ማዕርነትን' ካብ ካልኦት መሓዝቱ ነጺሎም ናብ ማዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ከምዝወሰዱዎ ካሊእ ኣብቲ ልዝብ ዝሳተፍ ዘሎ ኣባል ተቓዋሚ ውድብ ንቢቢሲ አረጋጊጹ። ኣብቲ ልዝብ ኣሸመገልቲ ኾይኖም ዝሰርሑ ዘለዉ ኣመራርሓ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ተግባር ጣልቃ ኣትዮም ጠጠው ከብሉዎ ክኢሎም-ድማ ይብል እቲ ምንጭና። እዚ ንወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ኣሕሊፍካ ምሃብ ክውን እንተዝኸውን ነይሩ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝካየድ ዘሎ ልዝብ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ከስዕብ ከምዝነበረ ድማ ይእመን። ካብቲ ዝሓለፈ ስምምዕ ተገሊሉ ዝነበረ ቀንዲ ተቓዋሚ ወድብ ሱዳን ዝኾነ ወያናይ (ሰውራ) ግንባር ሱዳን፡ ኣብዚ ናይ ኣዲስ አበባ ልዝብ ይሳተፍ ከምዘሎ ምፍላጥ ተኻኢሉ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49073922"} {"headline":"ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ስለምንታይ ድኻ ሃገራት ዝያዳ ይህሰያ ኣለዋ?","content":"ብሰንኪ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ቁጠባ ዓለምና ኣዝዩ እዩ ዘንቆልቁል ዘሎ። ዓለምለኸ ትካል ገንዘብን ካልኦት ሰብ ሞያ ቁጠባን ከምዝብልዎ፡ ሳዕቤን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ድሕሪ'ቲ ኣብ 1930ታት ዘጋጠመ ብ 'ግሬት ዲፕረሽን' ዝፍለጥ ቁጠባዊ ድስካለ፡ እቲ ዝኸፍአ ክኸውን ይኽእል እዩ። ዳርጋ ኩለን ሃገራት ዓለም፡ በዚ ለበዳ ይህሰያ'ኳ እንተሃለዋ፤ ዝያዳ ግን ቁጠባ ድኻታት ሃገራት ብዝተፈላለዩ መገድታት እዩ ዝህሰ ዘሎ። ብዙሓት ገና ኣብ ምምዕባል ዘሎ ቁጠባ ዘለወን ሃገራት፡ ኣብ ኢንዱስትሪታት ከም እታወት ዘገልግሉ ጥረ-ኣቑሑ ሰደድ ዝገብራ እየን። ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ፋብሪካታት ስለዝተዓጸዋ ድማ፡ ናይዞም ጥረ-ኣቕሑ ጠለብ ነክዩ ኣሎ። በዚ ምኽንያት ድማ፡ ዋጋ ናይዞም ጥረ-ኣቑሑ ይጎድል፤ ኣብ ገለ ኩነታት ከኣ ሓያሎ ይወድቕ። ከም ኣብነት ከኣ፡ ምቁልቋል ዋጋ ነዳዲ፣ ነሓስን ዚንክን ምጥቃስ ይከኣል። ነሓስ ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ ካብቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝነበሮ ዋጋ ብ 18 ምኢታዊት ሓሲሩ'ሎ። ዋጋ ዚንክ ምስ እንርኢ ድማ፡ 20 ሚኢታዊት እዩ ነክዩ። ምንቁልቋል ዋጋ ናይዞም ጥረ ኣቑሑ ድማ፡ ነዞም ነገራት ሰደድ ኣብ ዝገብራ ሃገራት ንዘለዉ ንጥፈታት ንግድን ኣታዊ መንግስታቶምን ይሃስዮ ኣሎ። ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት፡ ኣብዚ እዋን ጸገም ኮይኑወን ዘሎ ካልእ ነገር፡ ዓለምለኻዊ ኣውፈርቲ (ኢንቨስተራት) ገንዘቦም ክስሕቡ ምጅማሮም እዩ። ላዕለወይቲ በዓልቲ ሞያ ቁጠባ ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ (ኣይኤምኤፍ) ጊታ ጉፒናት ከምእትብሎ፡ ዓለምለኻዊ ኣውፈርቲ ብድፍረት ወፍርታት ካብ ምግባር ይቑጠቡ ምህላዎም ትገልጽ። እዚ ማለት ድማ፡ ኣውፈርቲ 'ውሕስነት ዘይብለን' ኣብ ዝብልወን ሃገራት ንዝርከብ ወፍርታቶም እናሸጡ፡ ንገንዘባቶም ናብቲ ውሑስ ኢሎም ዝሓስብዎ ከም ኣመሪካ፣ ኣውሮጳ ጃፓን ዝኣመሰለ ቦታታት ይስሕቡ። ካልእ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ድማ ናይ ወጻኢ ዕዳ እዩ። ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን፡ ናይ ብዙሓት ሃገራት ባጤራ ዋግኡ ነክዩ ኣሎ። ናይ ሃገራት ባጤራ ዋግኡ ከንቆልቁል ከሎ ድማ፡ ብኻልእ ዓይነት ባጤራ (ንኣብነት ብዶላር ኣመሪካ) ንዝተወሰደ ዕዳን ወለድን ንምምላስ ኣጸጋሚ ይገብሮ። ድኻ ሃገራት ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ጥዕናዊ ቅልውላውን ሳዕቤናቱን ንምምካት፡ ገንዘበን ኣብ ዘውፍራሉ ዘለዋ እዋን፡ ናይ ወአኢ ዕዳን ወለድን ክኸፍላ ከጸግመለን እዩ። ነዚ ድማ እዩ፡ ኣብ ጉዳይ ድኻተት ሃገራት ዝወሰደኦ ናይ ወጻኢ ዕዳ፡ ጽዑቕ ጎስጓሳት ዝካየድ ዘሎ። ዓለምለኻዊ ትለል ገንዘብን ምዕቡል ቁጠባ ዘለወን ሃገራትን፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ድኻታት ሀገራት ዘሎ ሸኽሚ ንምቅላል ገለ ስጉምትታት ወሲደን ኣለዋ። እዚ ድማ፡ ኣብቲ ዝቕጽል ኣዋርሕ፡ ኣብ ምምላስ ዕዳን ምኽፋል ወለድን ሩፍታ ክረኽባ ብምግባረን እዩ። ብስደት ወጺኦም ኣብ ደገ ዝነብሩ ዜጋታት፡ ኣብ ሃገሮም ናብ ዘለዉ ስድረኦም ዝልእኽዎ መጠን ገንዘብ ምንካዩ'ውን ንድኻታት ሃገራት ካልእ ሃስያ እዩ። እዚ ካብ ሃብታማት ሃገራት ናብ ድኻታት ሃገራት ዝለኣኽ ገንዘብ፡ መነባብሮ ናይቶም ስድራተት ኣብ ምምሕያሽ ዓብዪ ተራ ከምዝጻወት ፍሉጥ እዩ። ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን ግን፡ ኣብ ደገ ዝነብሩ ስደተኛታት ዕድል ስራሕ ክስእኑ ስለዝኽእሉን ብኡ ኣቢሉ ድማ ኣታውታቶም ስለዝጎድልን ናብ ስድአኦም ክልእኹ ይጽገሙ። ከም ግምት ባንኪ ዓለም እንተኾይኑ፡ መጠን ኣብ ደገ ዝነብሩ ሰባት ናብ ስራታቶም ዝልእኽዎ ገንዘብ፡ ኣብዚ ዓመት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብ 20 ምኢታዊት ክንኪ እዩ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52395418"} {"headline":"ኣብ ኣፍሪቃ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ልዕሊ 13,000 በጺሑ","content":"ኣብ ኣፍሪቃ ዛጊት 13,814 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙን ልዕሊ 2,300 ከምዝሓወዩን ይግለጽ። ቁጽሪ ዝሞቱ ድማ ብውሕድ 700 ምብጽሑ ሓበሬታ ማእኸል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ሕብረት ኣፍሪቃ የመልክት። ኣብዛ ኣህጉር በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ዘይተረኸቡለን ሃገራት ኮሞሮስን ሌሴቶን እየን። ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾነ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ፡ ነቲ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብ ልዕሊ ሃገራት እታ ኣህጉር ከጋጥማ ዝኽእል ቁጠባዊ ሃሰያ ንምፍታሕ ዝውዕል ዓለምለኻዊ ሓገዝ ዘተሓባብሩ ሰለስተ ፍሉይ ልኡኻት ከምዝመዘዘ ይፍለጥ። ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ'ውን ኣብ ፈረንሳዊ ማዕኸን ዜና ፍራንስ 24 ቀሪቡ፡ ኣፍሪቃ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ልዕሊ 100 ቢልዮን ዶላር ከምዘድልያ ሓቢሩ'ዩ። ካብ ሃገራት ትሕቲ ሳህራ 2,173 በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዝርከብዋ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ። እታ ሃገር ቅድም ክብል ዝኣወጀቶ እገዳ ምንቅስቓስ ኣናዊሓቶ'ላ። 12 ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዝረኸበት ካሜሮን 848 ኮሮናቫይረስ ዘለዎም ሰባት ብምሓዝ ካብ ሃገራት ትሕቲ ሳህራ ብኻልኣይ ደረጃ ትስራዕ። እታ ኣብ ትሕቲ ሳህራ ብብዝሒ ህዝባ ብኻልኣይ ደረጃ እትስረዕ ኢትዮጵያ ድማ ለበዳ እቲ ቫይረስ ንምግታእ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ክትእውጅ ተገዲዳ'ያ። ዛጊት ደማ 71 በቲ ቫይረስ ዝተትሕዙ ኣለውዋ። ኤርትራ'ውን ክሳብ ሕጂ 34 ብኮሮናቫይርስ ዝተተሓዙ ከምዘለዉዋ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ብዓርቢ ኣብ ዘውጸኦ መግልጺ ሓቢሩ ነይሩ። ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ'ኸ? ጂቡቲ ሓደ ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ክሞታ ከሎ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ 214 ኣትዩ። ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ድማ እቲ ካብ ሃገሩ ናብ ኢትዮጵያ ሰደድ ክግበር ዝተጽዓነ ዝነበረ መግቢ ከምዝተመለሰ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ሓቅነት ከምዘይብሉ ገሊጹ'ሎ። ኣብ ሶማሊያ 4 ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ክርከቡ ከለዉ፤ ድምር ቁጽሪ ዝተትሕዙ 25 ክበጽሕ ክኢሉ። መንግስቲ ሶማሊያ ኣብ ከተማ ሞቓዲሹ ግብራዊ ዝኸውን ካብ ምሸት ሰዓት 2 [8] ክሳብ ወጋሕታ ሰዓት 11 [5] ዝጸንዕ ኣዋጅ እቶ እቶ ትማሊ ኣዊጁ'ሎ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/52264113"} {"headline":"ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ሱዳን ካብ መዝገብ 'ፈጠርቲ ራዕዲ' ክትእለ ሓቲቱ","content":"ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት [ሕሃ] ኣንቶንዮ ጉተረስ፡ ሱዳን ካብ መዝገብ 'ሃገራት ፈጠርቲ ራዕዲ ክትእለ ሓቲቱ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣብ ዘሎ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተረኸበ እቲ ዋና ጸሓፊ፡ እታ ሃገር የጓንፍዋ ካብ ዘለዉ ብድሆታት ቀልጢፋ ክትወጽእ ምእንቲ፡ ዓለም-ለኸ ሓገዝ የድልያ እዩ ኢሉ። ነዚ ድማ፡ ሱዳን ካብቲ መዝገብ ዝርዝር ግብረ-ሽበራ ስማ እንድሕር ተኣልዩ፡ ቤት ጽሕፈት ሕሃ እቲ ዘድሊ ዓለማዊ ድጋፍ ኣብ ምትሕብባር ክነጥፈ የኽእሎ እዩ ኢሉ። ሱዳን፡ ናብ ሰለማዊ መድረኽ ዓለም፡ ክተመጽእ ዝግበር ዘሎ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፕረዚደንት ኦማር ኣልበሺር ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ምእላዩ ስዒቡ እዩ። እቶም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣኼበኦም ዘካይዱ ዘለዉ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ኣብ ሊብያ ዝረአ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ዘብቀዐሉ መስርሕ ከምዝዝትዩ'ውን ነቲ ጉባኤ ዝከታተል ዘሎ ሪፖርተር ቢቢሲ ኣረዲኡ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ልዕሊ ሊብያ፡ እገዳ ኣጽዋር ዝውውር'ኳ እንተተነበረ እቲ ጎንጺ ቀጺሉ ኣሎ ዝበለ፡ እቲ ዋና ጸሓፊ፡ ብፍላይ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቀጻሊ ኢድ ኣእታውነት ሓይልታት ደገ ነቒፉ። ፈረንሳይ ጋዳፊ ካብ ምእላይ ጀሚራ፡ ኣብቲ ከባቢ ትንቀሳቐስ ተባሂላ ትንቀፍ። \"ገለ ሓይልታት ደገ፡ ንኽልቲኦም ወገናት በብገጾም እናሓገዙ፡ ኣብቲ ዞባ ወግእን ወረ ውግእን ክቕጽል ይገብሩ ኣለዉ\" ብምባል ቁጠዐኦም ገሊጾም። ፕረዚደንት ሙዓመር ጋዳፊ ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝተገብረ ናይ ደገ ሓይሊ ምትእትታው መራሕቲ ኣፍሪቃ ክነቐፉ ጸኒሖም እኦም። ፡ ንዐኦም ካብቲ ከይዲ ከልግሱ ገይርካ ዝፍተን ዝነበረ ግዳማዊ ናይ ሰላም ከይዲ ከምዘይሰርሐ እቲ ዋና ጸሓፊ ንቢቢሲ ኣሚኑ። ሕዚ፡ እቲ ጸገም ኣፍሪቃዊ ፍታሕ ክረክብ ድማ ጻውዒት ገይሩ። እቶም መራሕቲ ኣብ ካልኦት ከባብታት ኣፍሪቃ ዝረአ ዘለዉ መሰል-ጎንጽታትን ኲናት ሕድሕድን ፍታሕ ንምእላሽ ክዝትዩ እዮም ተባሂሉ። ካብኡ ሓሊፉ ድማ፡ ኮሮና ቫይረስን ከባብያዊ ለውጢ ኣየርን፡ ካልኦት ኣጀንዳታት'ቲ ጉባኤ ከምዝኾኑ ምፍላጥ ተካኢሉ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51440746"} {"headline":"ቅልውላው ሱዳን፡ ወታሃደራዊ ቤት ምኽርን ተቓወምትን ሱዳን ኣብ ስምምዕ በጺሖም","content":"መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ልፍንቲ ቓወምትን፡ ናብ መሰጋገሪ መንግስቲ ከሰጋግረና እዩ ኢሎም ኣብ ዝኣመንሉ ቅዋማዊ ኣዋጅ ስምምዕ በጺሆም። ኣዛታዪ ሕብረት ኣፍሪቃ መሓመድ ሓሰን ሌባት፡ ዝርዝር መግለጺ ከይሃበ ሎሚ ንጉሆ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ስምምዕ በጺሖም ዝብል ሓበሬታ ጥራሕ ሂቡ። ሱዳን፡ ፕሬዝደንታ ዝነበረ ዑመር ሓሰን ኣል-በሽር ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ካብ ስልጣኑ ካብ ዝእለ ንነጆ፡ ኣብ ቅልውላው'ያ ጸኒሓ። እቶም ዝካየዱ ዝነበሩ ናዕቢታት ድማ፡ መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፡ ስልጣን ናብ ስቪል ምምሕዳር ከሰጋግር ይጠልቡ ነይሮም። ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ድሕሪ ዝተኻየዱ መድረኻት ልዝብ፡ እዚ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ስምምዕ ምስ ተነግረ፡ ንኣዋርሕ ኣብ ናዕቢ ዝጸንሐት ሱዳን ጽምብል ተስፋ ክትጽምብል ገይሩዩ። እቲ ሰነድ ስምምዕ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ክልቲኦም ወገናት ንሰለስተ ዓመት ዝጸንሕ ናይ መሰጋገሪ እዋን ክህሉ ከም ዝተሰማምዑ ይጠቅስ። እዚ ስምምዕ ምምርቓሕ ስልጣን፡ እቲ ምምሕዳራዊ ኣካል ሽዱሽተ ስቪላውያንን ሓሙሽተ ጀነራላትን ክኾኑ ዝጠልብ'ዩ። ወተሃደራትን ሰልፈኛታትን ክሳብ ሕጂ ዝተሰማምዑሎም ነጥቢታት፥ እዚ ናይ መሰጋገሪ እዋን፡ ንምንቅስቓስ ዲሞክራሲ ዓብዪ ዓወት ኮይኑ'ዩ ተራእዩ። ሰልፈኛታት፡ ስርዓት በሽር ዝዘርግሖ ፖለቲካዊ መርበብ ክሳብ መወዳእትኡ በቲክኻ ነጻን ፍትሓውን ምርጫ ንምክያድ ግዜ ክወስድ ይኽእል'ዩ ይብሉ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49218560"} {"headline":"ግድብ ህዳሰ፡ ርእይቶ ትራምፕ ኣብቲ ጽባሕ ዝካየድ ዘተ 'ኣሉታዊ ጽልዋ ኣይክህልዎን'ዩ'","content":"ናይ'ዚ እዋን ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾነ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎዛ፡ እቲ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ዝርርብ ግድብ ህዳሰ ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ'ሎ። ራማፎዛ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ \"ምስ መራሕቲ ናይተን ኣብ ግድብ ህዳሰ ዝሰሓሓባ ዘለዋ ሃገራት ድሕሪ ዝተገብረ ሰፊሕ ልዝብ\" እቲ ዘተ ክቕጽል ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ተዛሪቡ። እተን ሃገራት፡ ኣብ መንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃን እምነት ብምሕዳረን ዝንኣደ ራማፎዛ፡ መርኣያ ናይቲ \"ጸገም ኣፍሪቃ ፍታሕ ብኣፍሪቃውያን\" ዝብል መትከል ምዃኑ ጠቒሱ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ራምፕ፡ ግብጺ ነቲ ክውዳእ ቀሪቡ ዘሎ ግድብ ህዳሰ \"ከተዕንዎ ትኽእል'ያ\" ምባሉ ኣብ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ቁጠዐ ፈጢሩ ይርከብ። \"እተን ሃገራት ኣብቶም ተሪፎም ዘለዉ፡ ቴክኒካውን ሕጋውን ዝርከብዎም ጉዳያት ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሓ ምትእምማን ከምዘለዎ\" ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብቲ ብመንገዲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝሃቦ መግለጺ ተስፍኡ ገሊጹ'ሎ። ኢትዮጵያ ነቲ ብመንጎኝነት ኣመሪካ ዝተበጽሐ ስምምዕ እንተ ዘይተቐቢላቶ፡ እቲ ንኢትዮጵያ ክህባ ወሲኑ ዝነበረ ልዕሊ 250 ሚልዮን ደገፍ ደው ከምዘበንሎ'ውን ደጊሙ ኣረጋጊጹ'ሎ። እቲ መግለጺታትን ምፍርራሓትን፡ ዓለምለኻዊ ሕጊ ዝጠሓሰን፡ እኹል ሓበሬታ ካብ ዘይምርካብን ዝብገስ'ዩ ክብሉ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ግብረመልሲ ሂቦምሉ ኣለዉ። ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ መግለጺ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብቲ ጽባሕ ዝጅመር ዘተ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣይክህልዎን'ዩ ኢሉ። \"እቲ ዘተ ርእሱ ዝኸኣለ'ዩ። ሰለስቲአን ሃገራት ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝደራደራሉ ጉዳይ'ዩ። ነቲ ፕረዚደንት ኣይምልከቶን'ዩ። \"ዝምልከቶ ነገር እንተልዩ፡ ንክንሰማማዕ ምድፍፋእ፡ ምድጋፍን ነቲ ዝተሰማማዕናሉ ነገር ምቕባልን ጥራይ እምበር፡ ካብኡ ወጻኢ እዚ ብመንገዲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ስለዝኾነ ናይ ዝኾነ ካልእ ሰብ ጉዳይ ክኸውን ኣይክእልን\" ይብል ኣምባሳደር ዲና። ኣብ ለካቲት 2020፡ ኢትዮጵያ ካብቲ ብመንጎኝነት ኣመሪካ ኣብ ዋሽንግተን ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ምስሓባ ንኣመሪካ ባህ ኣየበላን። ሰለስቲአን ሃገራት፡ እቲ ግድብ ብኸመይን መዓስን ማይ ይምላእ ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ሰፊሕ ፍልልያት ከምዘለወን ይፍለጥ። ድሌት ኢትዮጵያ፡ እቲ ዝካየድ ዘተ ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ከተኩር'ኳ እንተኾነ፡ ግብጺ ግን ብዛዕባ ምክፍፋል መጠን ማይ ክኸውን'ያ ትምጉት።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54695478"} {"headline":"ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም እንተዝምለሱ ነቲ ሓደገኛ መገዲ ምደገምዎ'","content":"ቀንዲ ጠንቂ ዋሕዚ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ፡ ቁጠባዊ ድሌታቶም ኣብ ሃገሮም ክማላኣሎም ዘይምኽኣሉ ምዃኑ ሕድሽ ዝወጸ መጽናዕቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። እቲ መጽናዕቲ፡ ዘይስሩዕ ዋሕዚ ስደተኛታት፡ ዕቑባ ንምርካብ ዘንቀሎ ጥራይ'ዩ ንዝብል ኣተሓሳስባ ዝብድህ'ዩ። ኣስታት 58 ሚእታውኢት እቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ፡ ስራሕ ዝነበሮም ኮይኖም፡ እኹል ደሞዝ ብዘይምርካቦም ከም ዝተሰዱ ገሊጾም ክብል እቲ መጽናዕቲ ሓቢሩ። ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዕቑባ ንምርካብን መጽለሊ ንክረኽቡን ክብሉ ብዘይ ስሩዕ ኣገባብ ከም ዝጓዓዙ ይፍለጥ። እንተኾነ፡ ብተወሳኺ ካልኦት ዛጊድ ዘይተነጸሩ ሓደገኛ መንገድታት ክሓልፉ ከም ዝግደዱ እቲ መጽናዕቲ ኣሚቱ። ነቲ መጽናዕቲ፡ ቃለ መሓትት ካብ መንጎ ዝተገበረሎም ኣብ ስራሕ ተቖጺሮም ዝርከቡ ስደተኛታት ኣፍሪቃ፡ 85 ሚኢታዊ እኹል ኣታዊ ከምዘይረኽቡን ብናብረኦም ሕጉሳት ከምዘይኮኑን ተዛሪቦም። እንተኾነ ዳርጋ ኩሎም ክበሃል ዝከኣል፡ ናብ ሃገሮም ክምለሱ እንተዝግደዱ፡ በቲ ሓሊፎምዎ ዝመጾ ንህይወቶም ኣስጋኢ ዝኾነ መንገዲ ኣቢሎም ክምለሱ ከምዝመርጹ ተዛሪቦም። እዚ ናይቲ ጸገም ብርኪ ክንደየናይ ሕሱም ምዃኑ ከምዘርኢ እዩ ዝገልጸ። ብሓፈሻ፡ ካብ 39 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጽኡ፡ ሕዚ ኣብ 13 ሃገራት ኤውሮጳ ዝነበሩ 2000 ስደተኛታት ኣብቲ መጽናእቲ ተሳቲፎም። ብርግጽ ብባሕሪ ሜዲትራንያን፡ ኣብ 2015 ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ዝተጓዓዙ እንትኾኑ፡ እቲ ቁጽሪ ኣብ 2018 ናብ ኣስታት 100 ሺሕ ከምዝጎደለ እቲ መጽናዕቲ የረድእ። ይኹን'ምበር፡ እቲ ዝጉዓዝሉ መንገዲ ሓደገኛነቱ እናወሰኸ ብምምጽኡ፡ ናብ ኤውሮፓ ክሰግሩ ካብ መንጎ ዝፈተኑ ስደተኛታት፡ ኣብ 2015፡ 1.6 ሚኢታዊ ህይቶም እንትስእኑ፤ ኣብ 2018 ግን እቲ ቁጽሪ መወትቲ ናብ 2 ሚኢታዊት ሓፍ ኢሉ። ኣብ 2018 ጥራሕ 2 ሺሕ ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ሜዲትራንያን ከም ዝጠሓሉ ጸብጻባት ይገልጹ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50126664"} {"headline":"መራሕቲ ትግራይ ምስ መንጎኛታትን ሰብመዚ ኢትዮጵያን ክዘራረቡ ቅሩባት ምዃኖም ገሊጾም","content":"ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን ማሕበረሰብ ዓለምን ክላዘብ ዝኽእል ወኪል ከምዝመዘዘ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣፍሊጡ። ፍሉይ ጉጅለ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ነቲ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምእታዉ'ዩ እቲ መግለጺ ተዋሂቡ። ፕረዚደንት ሞዛምቢክ ነበር ዮአኪም ቺሳኖ፣ ፕረዚደንት ላይቤሪያ ነበር ኤለን ሰርሊፍ ጆንሰንን ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ኻሌማ ሞትላንቴን ሎሚ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ተራኺቦም ኣለዉ። ኣማኻሪ ጉዳያት ፖለቲካ መራሒ ክልል ትግራይ ዝኾነ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ \"ዝዓበየ ሻቕሎትና ብዛዕባ ውሕስነት ናይቶም ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘለዉ ይኹኑ ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ዘለዉ ሲቪላውያን እዩ\" ኢሉ። እቲ ተመዚዙ ዘሎ ወኪል፡ ብዛዕባ ህጹጽ ምቁራጽ ተጻብኦታት፡ ውሕስነት ኩሎም ሲቪላውያንን፡ ምኽፋት መንገዲ ንሰብኣዊ ረዲኤትን ተላዚቡ ክውስን ስልጣን ከምዘለዎ'ውን ጠቒሱ። \"ብዛዕባ ተፈጺሙ ዝብሃል ግፍዒ፡ ገበናት ኲናትን ምግሃስ ዓለምለኻዊ ሕግን ብናይ ወጻኢ ወገናት ብናጻ ክምርመር\" ከም ዝጠልቡ'ውን ኣቶ ጌታቸው ጸዊዑ። እቲ ተመዚዙ ዘሎ ወኪል መን ምዃኑን ኣበይ ከምዘሎን ግን እቲ መግለጺ ኣይጠቐሰን። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ብዛዕባ ምስቲ ጉጅለ ልኡኽ ዝገበሮ ዝርርብ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንተገዳስነት ናይቲ ነቲ ልኡኽ ዝሰደደ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎዛ ብምምስጋን፡ ነቲ ጉዳይ ብወታሃደራዊ ኣገባብ ክወስዶ \"ቅዋማዊ ግዴታ\" ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ። መንግስቲ፡ ነቲ ጉዳይ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ፈተነታት ከምዘካየደ ብምግላጽ፡ \"እቲ ኮነ ተባሂሉ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝተወስደ መጥቃዕቲ፡ ብገበናዊ ሕጊ ኢትዮጵያ ክሕደት ሃገር ምዃኑ\" ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝተገደደ ተዛሪቡ። ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ትግራይ ክበጽሕ ከምዘፍቅድን፡ ነቶም ዶብ ሰጊሮም ናብ ሱዳን ዝኣተዉ ስደተኛታት ከምዝቕበልን ግን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ገሊጹ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/55104904"} {"headline":"ጀነራል ካሊፋ ሓፍጣር ንፃውዒት ተኹሲ ደው ምባል ነፂግዎ","content":"ኣብ ምብራቓዊ ሊቢያ ዝዓረደ ብርቱዕ ሓይሊ ጀነራል ካሊፋ ሓፍጣር፡ እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍን ኣብ ትሪፖሊ መሰረቱ ዝገበረን መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዘቕረበሉ ተኹሲ ደው ምባል ጻውዒት ነፂግዎ። 'እቲ ብመንግስቲ ትሪፖሊ ዝቐረበ ፃውዒት፡ ቀልቢ መራኸብቲ ሓፋሽ ንምስሓብ እዩ' ክብል ናይቲ ብጀነራል ሓፍጣር ዝምራሕ ሃገራዊ ሰራዊት ሊቢያ (LNA) ወሃቢ ቃል ተዛሪቡ። ሃገራዊ ሰራዊት ሊቢያ (LNA)፡ ብሓይልታት መንግስቲ ኣብ ከባብታት ከተማ ሲርጥ ንዝፍነው ዝኾነ መጥቃዕቲ ምላሽ ንምሃብ ድሉው ከምዝነበረ ድማ ሓቢሩ። ኣብ ሊቢያ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሓይልታት ክካካየድ ዝፀንሐ ውግእ፡ ብኣንጻራውነት ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ህድእ ኢሉ ነይሩ። ቅድም ክብል ዝተሰማምዕዎም ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዓት'ውን ክፈሽል እዩ ዝረኣይ። እቲ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ፈተነ ምስ ፈሸለ ድማ ነንሓድሕዶም ክካሰሱ ይረኣዩ። ጀነራል ሓፍጣር መን እዩ? ብ1969 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ዝነበረ ዘውዳዊ ስርዓት ንምዕላው፡ ወዲ 26 ዓመት እንከሎ፡ ንጋዳፊ ደጊፉ እዩ። ብ1973 ኣብ ዝነበረ ኩናት ከኣ፡ ኣንጻር እስራኤል ወፊሩ። ኣብ ሞንጎ ቻድ (ጫድ)ን ሊቢያን ጎንፂ ምስ ተፈጠረ፡ ብ1980 ንሰራዊት ሊቢያ መሪሑ ተቓሊሱ። \"ናይ ሊቢያ ኣል-ሲሲ\" ክኸውን ከምዝምነ ድማ ገሊጹ ነይሩ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53889745"} {"headline":"ቡርኲናፋሶ፡ 180 ሰባት ዝተቐትልሉ ‘ግራት ደም’","content":"ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገረ ቡርኲናፋሶ ብውሕዱ 180 ሬሳታት ዝተቐብሩሉ ጋህሲ ከም ዝተረኽበ ተሓላቒ ጉጅለ ሰባዊ መሰላት፡ ሂዩማን ራይትስ ዎች ገሊጹ። “ዝተረኽቡ ጭብጥታት ከም ዝሕብርዎ፡ ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ጃምላዊ ምርሻን ተሳቲፎም” ይብል እቲ ጉጅለ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ። ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ሸውዓተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ሓደ ጋህሲ ቅድሚ ምቕባሩ፡ ብብግዚኡ ኣስታት 20 ሬሳታት ናብቲ ኣብ ጥቓ ከተማ ጂቦ ዘሎ ሓደ ጎልጎል ክድርበ ጸኒሑ። ሚኒስተር ምክልኻል ቡርኲናፋሶ፡ እቲ ቅትለት ተቓወምቲ ዕጡቓት ዝፈጸምዎ ክኸውን ከምዝኽእል ኣሚቱ’ሎ። “ህዝቢ ንዕጡቓት ኣሸበርቲ ካብ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ፈልዩ ክርእዮም የጸግም’ዩ” ይብል ሸሪፍ ሞሚና ነቲ ጸብጻብ ግብረመልሲ ኣብ ዝሃበሉ። ይኹን’ምበር፡ መንግስቲ ነቲ ክሲ ከጻርዮ ምዃኑ ተዛሪቡ’ሎ። “ግራት ደም” እታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ፡ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ቡርኲናፋሶ፡ ኣንጻር እቶም ምስ ጉጅለታት ሽበራ ኣል-ቃዒዳን ዳዕሽን ርክብ ዘለዎም እስላማውያን ዕጡቓት ትቃለስ ዘላ ሃገር’ያ። ኣብ ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ዳይረክተር ዞባ ሳሕል ዝኾነት ኮሪን ዱፍካ፡ ከተማ ጂቦ ናብ “ግራት ደም” እያ ተቐዪራ ትብል። መንግስቲ’ታ ሃገር ነቲ ሬሳታት ንምውጻእን ንምልላይን፡ ሓገዝ ናይ ሕቡራት ሃገራት ክጠልብ’ዩ እቲ ተጣባዊ ጉጅለ ሰባዊ መሰላት ዝመክር። ቤተሰቦም ሬሳ ክወሃቦምን፡ እቶም ነቲ ገበን ዝፈጸሙ ክሕተቱን ድማ ጸዊዑ'ሎ። እቶም ደቂ-ተባዕትዮ ምዃኖም ዝተነግረሎም ግዳያት፡ ካብ ሕዳር 2019 ክሳብ ሰነ 2020 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ትሕቲ ድልድላትን፡ ኣስታት 5 ኪሜ ዝዝርጋሕ ወሰን ጽርግያን’ዮም ተቐቲሎም ተረኺቦም። “ብዕምቶም” ሂዪማን ራይትስ ዎች፡ ሓረስቶት፡ ነጋዶ፡ ጓሶት፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ዓበይቲ ዓዲን ሰራሕተኛታት ረዲኤትን ዝርከብዎም 23 ነበርቲ ናይታ ከተማ ኣዘራሪቡ። ኩሎም ድማ፡ እቶም ግዳያት ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ፡ ኣባላት ወይ ተሓባበርቲ እስላማውያን ዕጡቓት’ዮም ብምባል ዝወሰድዎም ምዃኖም ሓቢሮም። “ዝበዝሑ ካብቶም ዝሞቱ ተዓሚቶም፡ ኣእዳዎም ተኣሲሮም … ኣብ ርእሶም ብጥይት ተሃሪሞም ዝተረኽቡ’ዮም” ክብል ሓደ ሸማግለ ነቲ ተጣባቒ ጉጅለ ገሊጹ። “እቲ ዝራኣኽዎ ሬሳታት፡ ንጉሆ ዝተረኽበ’ዩ … ኣብቲ ካብ ጂቦ ውጽእ ኢሉ ዘሎ ሰራዊት መንግስቲ ዝቆጻጸሮን፡ ሰዓት እቶ እቶ ዝተኣወጀሉን፡ ብወታሃደራት ዝሕሎን ቦታ ብለይቲ ዝተጓሕፈ’ዩ።” ኣብቲ ከባቢ፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓትን ግጭት ኣብ ዝነበረሉ መዓልታት ሬሳታት ከምዘይነበረ ነበርቲ ተዛሪቦም። “ለይቲ፡ ብዙሕ ግዜ፡ ድምጺ መካይን እሰምዕ እሞ፡ ጽንሕ ኢሉ ድማ ቡም! ቡም! ቡም! ዝብል ድምጺ ይስዕብ። ንጽባሒቱ ድማ፡ ኣብቲ ቦታ ሬሳታት ንርኢ ወይ ኣብዝን ኣብትን ሬሳታት ከምዝተረኽበ ንሰምዕ” ክብል ሓደ ሓረስታይ ንሂዩማን ራይትስ ዎች ገሊጹ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ግጭት፡ ናይ ብሄር ምትፍናን ገጽ ዘለዎ’ዩ። መብዛሕቶም ኣባላት ናይቶም እስላማውያን ዕጡቓት፡ ካብ ብሄረ ፒዩል ወይ ፉላኒ ዝመጹ ምዃኖም ይግለጽ። እቶም ዘካይድዎም መጥቃዕትታት ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ብሕርሻ ዝናበሩ፡ ማሕበረሰባት ሞሲ፡ ፎልሰን ጎርማንቸን እዮም ዝፍጸሙ። ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ከባቢ ጂቦ ዝተረኽቡ ግዳያት፡ ኣባላት ናይቲ ነቶም እስላማውያን ዕጡቓት ይድግፍ’ዩ ተባሂሉ ዝሕመ ማሕበረሰብ ፒዮል እዮም ይብል እቲ ጸብጻብ። እቲ ኣብ 2012 ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ማሊ ዝጀመረ ምንቅስቓስ ተገንጸልትን እስላማውያንን ዕጡቓትን፡ ኣብ ዞባ ሳሕል ከቢድ ናይ ጸጥታ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ። በዚ ዝሰግአት ፈረንሳ፡ ሰራዊታ ኣብቲ ከባቢ ብምውፋር ኣብ ጎኒ ሓይልታት ጸጥታ ናይተን ሃገራት ኣንጻር’ቶም ዕጡቓት ወታሃደራዊ ስርሒታት ከተካይድ ተገዲዳ'ያ። ኣብ 2015 ምስ ገለ ካብቶም ተቓወምቲ’ኳ ስምምዕ ሰላም እንተተፈረመ፡ ኣብ ግብሪ ከይወዓለ’ዩ በርዒኑ። ብድሕሪኡ ድማ፡ ሓደስቲ ዕጡቓት ጉጅለታት ክቕልቀሉ ጀሚሮም፡ ናብ ማእከላይ ዞባ ማሊ፡ ቡርኲናፋሶን ኒጀርን ኣስፋሕፊሖም ይርከቡ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53339528"} {"headline":"ቅልውላው ሱዳን፡ ሓድሽ ዋግዋጎ ተስፋ ንሰውራውያን መንእሰያት","content":"ሲቪላዊ መንግስቲ ዝጠልብ ተቓውሞ ሱዳን፡ ድሕሪ እቲ ብሰራዊት እታ ሃገር ብሓይሊ ምብታኑን ህይወት ልዕሊ 100 ሰባት ምሕላፉን፡ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ደጊሙ ተበራቢሩ። ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ዝርከባ ከተማታት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ሲቪላዊ መንግስቲ ብምጥላብ ናብ ጎደናታት ወጺኦም። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ፈርጋል ኪን፡ ኣገዳስነት ናይዚ ተሓዲሱ ዝጀመረ ተቓውሞ ተንቲኑ ኣሎ። ድሕሪ'ቲ ናይ 3 ሰነ ምብታን ተቓወምቲ፡ ሰልፈኛታት ናብ ኣባይቶም ኣንሳሒቦም ጸኒሖም። ይኹን'ምበር ኣብ ንሓድሕዶምን ምስ ወጻኢ ዓለምን ርክብ ኣይበተኹን ጸኒሖም። ብርግጽ ፍርሕን ስንባደን ነይሩ ኢዩ። ሞት ልዕሊ 100 ሰባትን ጾታዊ ዓመጽ ሓያሎን ኣብ ብዙሓት ከቢድ ራዕዲ ፈጢሩ ኢዩ። ኣብ ከተማ ካርቱም፡ ነቲ ዝተጀመረ ተቓውሞ ክቕጽል ዝደልይዎ ሓያሎ ናይ ተቓውሞ መርበብ ከም ዘሎ ተዓዚበ። ድሕሪ እቲ ቅትለት ድሕሪ ክልተ ሰሙን፡ ኣብ ወሰናስን ገለ ከተማታት ሰልፍታት ተጀሚሩ። መንግስቲ ንመሪሕነት እቲ ተቓውሞ ክድምስሶ ኣይከኣለን ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቶም ዝተኣስሩ መራሕቲ'ውን ብኻልኦት ተተኪኦም ኢዮም። እቲ ተቓውሞ ካብ ዝጅምር፡ መሓውራት ስለያ እታ ሃገር ንመርበብ ተጣበቕቲ መሰላት ክበስዕዎ ኣይከኣሉን። ክንዲ ዝኣሰሩ ሰባት እንተኣሰሩ ነቲ ስራሕ ተኪኡ ዝቕጽል ሰብ ኩሉ ግዜ ኣሎ። ይኹን'ምበር ሜላታት ናይቲ ስርዓት ምፍላጥ ኣገዳሲ ኢዩ። ድሕሪ'ቲ ንዑመር ኣልበሽር ኣብ ምጅማር ወርሒ ሚያዝያ ካብ ስልጣን ዝኣለዮ ተቓውሞ፡ ሰራዊት ርእሰ-ተኣማንነቱ ኣበሪኹ ኢዩ። ምስግጋር ስልጣን ናብ ሲቪል ክውን ንኸይከውን ዝርርብ ሰላም ብዕላማ ከም ዝቛረጽ ይግበር። ጎይታ ኲናት ለተናል ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ፡ ብመገዲ እቲ ንተቓውሞ ዝዓፈነን ዝበተነን ምልሻ 'ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ' ኣቢሉ ቀንዲ ምርኡይ ብምዃን ጸብለል ኢሉ ኢዩ። ካብ ከም ስዑዲ ዓረብን ኢማራት ዓረብን ዝኣመሰላ ሃገራት ፋይናንሳውን (ገንዘባዊ) ወታደራውን ሓገዝ እናረኸበ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወታደራዊ ቤት ምኽሪ፡ ንተቓወምቲ ንምግላል ዝከኣሎ ኩሉ እናገበረ ንዘተ ድሉው ኢየ ይብል። እቲ ወታደራዊ መንግስቲ፡ ነገራት ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ እናምሰልካ፡ ጀነራላት ስልጣን ከም ዝቆጻጸሩ ምግባር ኢዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ኣብ ላዕለዋይ መሪሕነት ሰራዊት ዘየወላውል ምምቕቓል ናይ ኣረኣእያ ኣሎ። ገለ ስልጣን ሓመቲ ዘይተዋሕጠሎም ኣለዉ። ይኹን'ምበር እቶም ስግኣት ክፈጥሩ ይኽእሉ ኢዮም ዝበሃሉ ማእከላይ ወታደራዊ ስልጣን ዘለዎም መኮንናት ከም ዝእለዩ ተገይሩ ኢዩ ። ከምቲ ንዑመር ኣልበሽር ዘጋጠሞ ውሽጣዊ ዕልዋ ንኸየጋጥም ልዑል ጥንቃቐን ሓያል ምክትታልን ኢዩ ዝካየድ ዘሎ። ሕጂ'ውን እንተኾነ ኣብታ ሃገር ምልክታት ዘይምርግጋእ እዩ ዘሎ። ተኹስታት፡ ዘንብዕ ትክን መውቃዕትን ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰልፈኛታት ዝፍጸሙ ዘለዉ ተግባራት እዮም። ዋላ እኳ ብዙሕ ሞትን ጉድኣትን እንተነበረ መጠን እቲ ተቓውሞ ግን ዝያዳ ዝጥንክረሉ ኩነታት ክፍጠር ምኽኣለ። ግን እዚ ኩሉ፡ ብጸቕጢ ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ስዑዲዓረብ ብተሕድሮ ጽልዋ ኮነ ኢልካ ዝተገትአ'ዶ ይኸውን? ሓመቲ'ኸ ብብዝሒ ሰልፈኛታት ተገሪሙ'ዶ ነይሩ? እቲ ሰውራ ሕጂ'ውን ኣይሞተን እቲ ድሕሪ ሰነ 3 ሓያል ኮይኑ ዝተቐልቀለ ሓመቲ ሃንደበት ንሓይሉ ዝፈታተን ተኸሲቱ። ተቓዋሚ እታ ሃገር ዋላ እኳ ኣገልግሎት ኢንተርነት እንተተዓጽወ፡ ህዝቢ ዓለም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ርእይትኡ ንኽገልጽ ምንቕቓሕ ፈጢሩ እዩ። ስሙያት ድምጻውያን ሪሃናን ዋይክሊፍን ከይተረፉ ነጻነት ሱዳናውያን ክገሃድ ድጋፎም ገሊጾም። ሕብረት ኣፍሪቃ'ውን ንሱዳን ካብቲ ውድብ ኣጊድዋ። ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ውን ኣሜሪካውያንን ኣፍሪቃውያንን ሸምገልቲ ኣብ ሱዳን ምብጻሕ ኣካይዶም እዮም። ይኹን'ምበር ክሳብ ሕጂ ዝተገብሩ ዘተታት ሽምግልና ጭቡጥ ፍረ ከምጽኡ ኣይከኣሉን። ወትሃደራዊ መንግስቲ እታ ሃገር ሲቪላት ኣብ ቀንዲ ውሳነታት ክሳተፉ ክፈቅድ ኣይክኣለን። ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ዝተለወጠ ነገር እንተሃለወ ግና፡ ናህሪ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ምንቅስቓስ ጥራሕ እዩ። ብዝሒ ሱዳናውያን ሰልፈኛታት ኣመና ወሲኹ ኣሎ፡ እዚ ንወትሃደራት እታ ሃገር ዘስግእ እዩ። ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ሃዋህው ጀነራላት እታ ሃገር ስልጣን ናብ ሲቪል ከሰጋግሩ እዮም ዝብል ተስፋ ተገይርሉ ኣሎ። ብኻልእ ወገን ድማ ሓመቲን ካልኦት መለኽትን፡ ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ስጉምቲ ክወስዱ ዝኽእልሉ ዕድል ኣሎ። እዚ ማለት ድማ ገና ዘየብቅዐ ዝኸፍአ ደም ምፍሳስ ክህሉ ይኽእል'ዩ። እቲ ሳልሳይ ኣማራጺ ድማ ወትሃደራት እታ ሃገር ምስ ሰልፈኛታት ክውግኑ ይኽእሉ። እዚ ግና ኣብ ከተማታት ሱዳን ኣብ ሞንጎ ዕጡቓት ሕድሕድ ጎንጺ ከስዕብ ይኽእል እዩ። ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብዚ ጉዳይ ግደ ኣሜሪካን ስዑዲዓረብን ሕብረት ኣፍሪቃን ልዑል ክኸውን እዩ። ብፍላይ ከኣ ስዑዲዓረብ ወትሃደራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን እንተስ ብፍቓዱ ወይ ድማ በስገዳድ ነታ ሃገር ከምሓድር ከም ዘይኽእል ንክሰማማዕ ዓቢ ተራ ክህልዋ ትጽቢት ይግበር። ብሓፈሻ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ካብ ዝነበረ ኩነታት ሱዳን እንዕዘቦ ነገር፡ ሕጂ ውን እቲ ሰውራ ከም ዘይሞተ እዩ። እዚ ሰውራ ዲሞክራስያዊት ሱዳን ጋህዲ ይገብር'ዶ ይኸውን? ዝብል ግና ብርግጽነት ምፍላጥ ኣይከኣልን።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48856860"} {"headline":"ውድብ ጥዕና ዓለም 'ኣፍሪቃ ማእከል ለበዳ ኮቪድ-19 ክትከውን ትኽእል'ያ'","content":"ውድብ ጥዕና ዓለም \"ኣፍሪቃ እታ እትቅጽል ማእከል ለበዳ ኮቪድ-19 ክትከውን ትኽእል'ያ\" ክብል ኣጠንቒቑ። ኣብ ዝሓለፈት ሰሙን፡ ኣብታ ኣህጉር ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ብዙሕ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣፍሪቃ ኣስታት 19 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ ዛጊት ሞት ኣስታት 1000 ሰባት ድማ ተመዝጊቡ'ሎ። እዚ ቁጽሪ ምስ ሃገራት ኣውሮጳን ኣሜሪካን ብምንጽጻር ውሑድ እኳ እንተኾነ ዘዛኒ ግን ኣይኮነን። እዚ ሕማም ዝያዳ ኣብተን ርእሰ ከተማታት ከም ዝርከብ ዝሓበረ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እዛ ኣህጉር ነዚ ሕማም ከመክት ዝኽእል እኹል ' መካኒካል ቬንትለተር' ከምዘይብላ ጠቒሱ። ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ኩነታት ክሳብ ክንደይ ኣሰካፊ'ዩ? ኣብዛ 1.3 ቢልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኣፍሪቃ፡ ክሳብ ሕጂ ኣስታይ 19 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ ዛጊት ሞት ኣስታት 1000 ሰባት ድማ ተመዝጊቡ'ሎ። ሰሜን ኣፍሪቃ እቲ ቀንዲ ተሃስዩ ዘሎ ክፋል ኣዛ ኣህጉር ኮይኑ፡ ኣልጄራያ፡ ግብጽን ሞሮኮን ነብሲ ወከፈን ልዕሊ 2000 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ክህልውወን እንከለዉ ነብሲ ወከፈን ኣስታት 100 ሞት ተመዝጊበን ኣሎ። ኣልጀርያ ጥራይ 348 ሞት ኣመዝጊባ ኣላ። ኣብ ካልእ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ልዕሊ 2000 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ክህልውዋ እንከለዉ 48 ድማ ሞይቶማ፡ እታ 200 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ናይጀርያን ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተተሓዝዋ 442 ክበጽሕ እንከሎ 13 ድማ ሞይቶማ። ምስ ኣውሮጳን ኣሜሪካን ብምውድዳር ንምንታይ'ዩ ኣብ ኣፍሪቃ ውሒዱ ኣብ ኣፍሪቃ ሓላፊት ውድብ ጥዕና ዓለም ዝኾነት ዶክተር ማቲሺዲሶ ሞቲ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ውሑዳት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉሉ ምክንያት ክኸውን ዝኽእል፡ ዋሕዲ መገሻ ምኳኑ'ያ ትሕብር። \"ብተዘማዲ ክንሪእዮ እንከለና ህዝቢ ኣፍሪቃ ዓለማዊ መገሻታት ኣየዘውትርን'ዩ፡ በዚ መንጽር ክንርእዮ እንከለና እቲ ቁጽሪ ክውሕድ ባህርያዊ'ዩ\" ትብል። ዶክተር ማቲሺዲሶ ሞቲ፡ ሕጂ ግን እቲ ሕማም ኣብ ውሽጢ ኣፍሪቃ ስለዘሎ፡ ከምቲ ኣብ ካልእ ዘርኣዮ መጠን ዝርገሐ ክላባዕ ከምዝኽእል ብምሕባር፡ ትካሎም ነዚ ኣብ ግምት ኣእትዩ ይሰርሕ ምህላዉ ሓቢራ። ዶክተር ማቲሺዲሶ ሞቲ፡ እቲ ቫይረስ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ናይጀርያ፡ ኣይቮሪኮስት፡ ካሜሮንን ጋናን ካብ ርእሰ ከተማታትን ዓበይቲ ከተማታትን እናተበገሰ ናብ ካልእ ቦታታት ይልሕም ምህላዉ ሓቢራ። ኣብ 15 ሃገራት ኣፍሪቃ እዚ ቫይረስ ብዙሕ ከምይተዘርገሐ እትሕብር ዶክተር ማቲሺዲሶ ሞቲ፡ እዘን ሃገራት ንህዝበን ኣካላዊ ምርሕሓቅ ከምዘዘውትር እንተገይረነኦ ክቆጻጸረኦ ከምዝኽእላ ሓቢራ። ውድብ ጥዕና ዓለም ዝገበሮ መጽናዕቲ ከምዘርእዮ፡ ኣብዛ ኣህጉር ኣብ ዝመጽእ 3-6 ኣዋርሒ 10 ሚልዮን ሰባት በዚ ቫይረስ ክልከፉ ከምዝኽእሉ ብምሕባር ነብሲ ወከፍ ሃገርን ትካላት ጥዕናን ዝወስደኦ ተበግሶታት ነቲ ቁጽሪ ከጉድሎ ከምዝኽእል'ውን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ። እዚ ቫይረስ ኣብ ኣፍሪቃ እንተተላቢዑ እንታይ'ዩ ክስዕብ ዝኽእል? ክኢላታት ጥዕና፡ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣፍሪቃ እንተተላቢዑ፡ ካብቲ ኣብ ሃገራት ኣወሮጳን ኣሜሪካን ዘኸተሎ ዕንወት፡ ኣብዛ ኣህጉር ዝኸፈአ ነገር ክኽሰት ከም ዝክእል'ዮም ዝገልጹ። ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ ንሓደ ሚልዮን ሰብ ሓሙሽተ ንጽኑዕ ክንክን ዘድልዮም ሕሙኣት ኩሉ ዘማልእ ዓራት ከምዘሎ ብምሕባር፡ ኣብ ኣውሮጳ ግን ንሓደ ሚልዮን ሰባት 4000 ተመሳሳሊ ዓራት ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ሕጽረት የብርህ። ኣብ ኣፍሪቃ ሓላፊት ውድብ ጥዕና ዓለም ዝኾነት ዶክተር ማቲሺዲሶ ሞቲ፡ ኣፍሪቃ ንሕጽረት ትሕተ ቅርጺ ሕክምና ኣብ ግምት ኣእትዩ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝሓምሙ ከሐክም ዝኽእል ዓቅሚ ስለዘይብለን፡ ዝያዳ ኣብ ምክልኻል እዚ ሕማም ክሰርሓ ከምዘተባብዑ ትሕብር። \"ዕላማና ቁጽሪ ተወጺዖም ጽኑዕ ክምንክን ዘድልዮም ሰባት ምውሓድ'ዩ፡ ምኽንያቱ ሃገራት ኣፍሪቃ እቲ ቀንዲ ዘሸግረን ዘሎ ዋሕዲ ቬንትለተር'ዩ\" ከኣ ትብል። ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝያዳ ሻቅሎት ዝፈጥር፡ እዚ ሕማም ኣብቲ ሰብ ብጻዕቂ ዝነብሮ ኣካላዊ ምርሕሓቅ ተገባራዊ ዘይኮነሉ ቦታታት ከይእቱ'ሞ፡ እቶም እኩል ቀርብ ማይን ሳምናን ዘይብሎም ግዳያት ከይኮኑ'ዩ። ንምንታይ'ዩ 'ቬንትለተር' ክሳብ ክንድ'ዚ ኣገዳሲ ኮይኑ? ብኮቪድ-19 ዝተተሓዘ ሰብ ኣብ ዝኸፈአ ደረጃ እንተበጺሑ፡ ቬንትሌተር እታ ህይወት ክትዘርኣሉ እትኽእል መሳርሒ'ያ። እዞም ሕሙማት ምስትንፋስ ኣብ ዝጽገሙሉ እዛ ማሽን (ቬንትለተር ) ናብ ውሽጢ ሳምብኦም ኦክስጅን ተብጽሕን፡ ካብ ውሽቲ ሳንብኦም ካርቦን ዳይኦክሳይድ ተውጽእን። ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ናይ መጀመርያ ብኮሮናቫይረስ ዝሰዓበ ሞት ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዙምባቤ'ዩ ተመዝጊቡ። ሞት ጋዜጤኛ ዛሮሮ ማካምባ፡ ጠንቂ ሞቱ ከኣ ኣብቲ ንሱ ተዓቒብሉ ዝነበር ሆስፒታል 'ቬንትለተር' ስለዘይነበረ ከምዝኾነ ሰብ መዚ ናይቲ ኣብ ሃራሬ ዝርከብ ሆስፒታል ሓቢሮም። ክሳብ ዝኾነ ዘኸውን ደኣ እንታይ'ዩ ዝግበሮ? ኣብ ኣፍሪቃ ሓላፊት ውድብ ጥዕና ዓለም ዝኾነት ዶክተር ማቲሺዲሶ ሞቲ ሃገራት ከገብረኦ ኣለወን ዝበለቶ ወስ ከነብለልኩም፡ ክሳብ ሕጂኸ እንታይ ዝተገብረ ነገር ኣሎ? ሓያሎ ሃገራት ህዝበን ካብ ገዛ ከይወጽእ ኣዊጀን ኣለዋ። ኣብ ገለ ሃገራት'ውን ኣብያት ትምህርቲ ናብ ኣብያተ ህክምና ተቀይሩ ከም መፍለይን መወሸብም ኮይኑ የገልግል ኣሎ። ፋብሪካታት ዓለባ፡ ኣብ ምፍራይ ማስክ፡ ካልእ መከላኻለን ተጸሚደን ኣለዋ። ውድብ መግቢ ዓለም ካብዚ መጀመርታ እዚ ሰሙን ጀሚሩ፡ ኣዝዮ። መሰረታውያን ነገራት ናይ ምዕዳል መስርሕ ጀሚሩ ኣሎ። እቲ ዝመጽአ ሓገዝ፡ ሓደ ሚልዮን ማስክ፡ ኣገደስቲ ናይ መከላኸሊ ኣቁሑን ቬንትለተራትን ይርከቦ።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52318875"} {"headline":"ካሜሮን፡ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ መምሃራንን ተማሃሮን ተደጋጋሚ መጥቓዕቲ የውርዱ ኣለዉ","content":"ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ካሜሮን ኣብ እትርከብ ከተማ ሎምበ ኣብ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ዕጡቓት ሓይልታት ብምእታው ንተማሃሮን መምሃራንን እታ ቤት ትምህርቲ ከም ዘካለበትዎም ተገሊጹ። ኣብታ ቤት ትምህርቲ ብሓላፍነት ዝሰርሕን ስሙ ክግለጽ ዘይለየን ሓደ መምህር፡ እቶም ዕጡቓት ሓይልታት ነቶም መምሃራንን ተማሃሮን ቅድሚ ምህራሞም ንኹሎም ክዳኖም ከውጽእዎ ከምዘገደድዎም ገሊጹ። ብድሕሪ እዚ እቶም ዕጡቓት ንገለ ክፋል እቲ ቤት ትምህርቲ ሓዊ ኣእትየሙሉ። እቲ ብሮቡዕ ሰዓት ሸሞንት ናይ ንግሆ ብኣቆጻጽራ ካሜሮን ዘጋጠመ ምክልባት፡ እቶም ነዚ ተግባር ዝፈጸሙ ዕጡቓት ኣስታት ዕስራ ሰብ ብረት ከምዝነበሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ሓይልታት ጸጥታ ካሜሮን ብቅልጡፍ እኳ ኣብቲ ቦታ እንተበጽሑ እቶም ዕጡቓት ግን ቀዲመሞም ካብቲ ቦታ ከምዝተሰወሩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም። ከምዚ ዓይነት ተርእዮታት ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ካሜሮን ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ብተደጋጋሚ ከጋጥመን ጸኒሑ እዩ፡ መንግስቲ ካሜሮን ብወገኑ ነዚ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ዝፍጽምዎ ዘለዉ ኣብቲ ዞባ ኮይኖም ናይ ምንጻል ሕቶ ዘቅርቡ ዘለዉ ዕጡቓት ሓይልታት ምኳኖም እዩ ዝኽስስ። ቅድሚ 24 ሰዓታት ናይዚ ኣብታ ቤት ትምህርቲ ኣብ ልዕሊ ተማሃሮን መምሃራንን ዝበጸሐ ምክልባት፡ ኣብ ኩምቦ እትብሃል ሰሜናዊ ምዕራብ ካሜሮን እትርከብ ቤት ትምህርቲ ክህነት 11 መምሃራን ተጨውዮም እዮም። 24 ጥቅምቲ’ውን ኣብ ኩምባ ኣብ እትብሃል ከተማ ካሜሮን ሸውዓተ ተምሃሮ ብዕጡቓት ምቅታሎም ይዝከር።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54821750"} {"headline":"ሰራዊት መንግስቲ ሊብያ ስትራተጂካዊት ከተማ ጋርያን ተቖጻጺሩ","content":"ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዝረኸበ መንግስተቲ ሊብያ፡ ድሕሪ ጽዕጽዕ ኵናት ንስተራተጂካዊት ከተማ ጋርያን ዳግም ከም ዝተቖጻጸራ ሓቢሩ። እቶመ ብጀነራል ካሊፋ ሃፍታር ዝምርሑ ተቃወምቲ ሓይልታት ናብ ትሪቡሊ ኸጥቕዑ፡ ንጋርያን፡ ከም ቀንዲ መዓስከር'ዮም ዝጥቐሙላ ነይሮም። ምትሓዝ ከተማ ጋርያን ብወገን ጀነራል ካሊፋ ሃፍታር ክሳብ ሕጂ መግለጺ ኣይተውሃበሉን ኣሎ። ሊብያ፡ መራሒኣ ዝነበረ መሓመር ጋዳፊ ኣብ 2011 ተቐቲሉ ካብ ስልጣን ካብ ዝእለ ብኵናት ሕድሕድ ኣብ ምሕማስ'ያ ትርከብ። ብጀነራል ካሊፋ ሃፍታር ዝመራሕ ተቃዋሚ ሓይሊ፡ ካብ መጀመርታ እዚ ዓመት ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ረኺቡ ዘሎ ብቀዳማይ ሚኒስተር ፋየዝ ኣል ሴራ ዘምራሕ መንግስቲ መጥቓዕቲ ካብ ዝጅመር ብዓሰርተታት ዝኾኑ ልብያውያን ሞይቶም እዮም። እዛ ኣብ ደቡብ ትሪፖሊ እትርከብ ከተማ ጋርያን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሚያዝያ እያ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር እዞም ተቃወምቲ ሓይልታት ኣትያ። ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንሮይተርስ ከም ዝሓበርዎ፡ ሰራዊት መንግስቲ ሊብያ ብኣየር ዝተሰነየ ሓያል መጥቃዕቲ ብምፍናው'ዩ ነዛ ከማ ብሮቡዕ ተቖጻጺርዋ። ኣብ ማሕበረዊ መራኸቢታት'ውን ሰራዊት ሊብያ ናብ ከተማ ጋርያን ኣናኣተዉ ዘርኢ ስእሊ ብብዝሒ ተዘርጊሑ ኣሎ። ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሊብያ ንኤኤፍፒ ከም ዝሓብሮ፡ ዳግማይ ምቁጽጻር ከተማ ጋርያን፡ ጸላዊ ዓወት'ዩ ብምባል፡ ምውዳቕን ምብትታንን ጀነራል ካሊፋ ሃፍታር ዘአንፍት'ዩ ኢሉ። ጀነራል ካሊፍ ሃፍታር፡ ኣብ ምብራቕ ሊብያ ዓሪዱ፡ ንሱን ደገፍቱን ኣንጻር ግብረ ሽበራ ይቃለሱ ከም ዘለዉ'ዩ ዝማጎት።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48782546"} {"headline":"100 መዓልታት ስራሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይን ጉዳይ ኢትዮ-ኤርትራን","content":"ኣብ ካናዳ፡ መምህር ታሪክ ዩኒቨርስቲ ኦፍ ኲዊንስን ተንታኒ ፖለቲካዊ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃን፡ ዶክተር ዓወት ተወልደ ወልደሚካኤል፡ ኣብ እዋናዊ ዛዕባታት ዕርቀ ሰላምን ኣብቲ ዞባ ዝህልዎ ፅልዋን አመልኪቱ ንቢቢሲ ትግርኛ ዝሃቦ መብርሂ ድሕሪ ምዉዳቕ ስርዓት ደርጊ ኣብ ሞንጎ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ዝነበረ ስጡም ዝበሃል ዝምድና ሰላም ጥራሕ ዘይኮነ ኣንፈት ማሕበረ-ቑጠናዉን ፖለቲካዉን ርግኣትን ምትሕብባርን ዝኸፍት መሲሉ ህዝቢ ነዊሕ ክጥምት ኣኽኢሉዎ ነይሩ። ኤርትራን ኢትዮጵያን መስረትቱ ዝኾነ ኢጋድ ካብ ሓደ ድሩት ተልእኾ ዝነበሮ ማሕበር፡ መገዲ ዉህደት እቲ ዞባ ክኸዉን ተበራቢሩ ንጥፈት ዝጀመረ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ዓመታት'ዩ ነይሩ። እዘን ሃገራት ምስ ሓደሽቲ መራሕተን ተሓባቢረን፡ ንሒደት ኣዋርሕ ኣብ ኵናት ዝጸንሐት ሶማሊያ ከረጋግኡዋ'ውን ተስፋታት ነይሮም። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኾይኑ ኣብ 1998 ንቲ ዞባ ከረጋግኡ ዝተብሃሉ ንርእሳቶም ዉን ክረጋግኡ ስለዘይኽኣሉ ንቲ ዞባ ናብ ሕንፍሽፍሽ ኣእቲዎሞ። ንተበግሶታት ኢጋድ 'ዉን ኣዐንቂፉዎን ንድሕሪት መሊሱዎን። ሶማሊያን ደቡብ ሱዳንን መብኣሲ መረብኦም ኾይነን ነጸብራቕ ናይዘን ክልተ ሃገራት ንጎረባብተን ጸሊዩወንን። ኣብዚ ዘይተኣደነ ዓቕሚ ሰብ፣ ህይወት፣ ቑጠባዉን ንዋታዉን ዕንወት ዘስዐበ ኵናት ብኽልቲኡ ዶባት እዘን ሃገራት ዘሎ ህዝቢ ደራዕ ናይቲ ኵናት ብቐጥታ ተሰኪሙዎ። ኵናት ጠጠዉ ምስ በለ ዘሎ ኵናት ብኻልእ ሜላ ተባሂሉ ዝፍለጥ 'ኣይ ሰላም ኣይ ኵናት' ክሳብ ሕጂ ዘሎ ክልቲኡ ናይ ዶብ ህዝቢ መሰረታዊ ማሕበራዊ ርክባት ዓንቂፉዎ፣ ጋሪዱዎ ጥራሕ ዘይኾነ ክረብሑዎ ዝኽእሉ ዝነበሩ ቑጠባዊ ኩነታቶም'ዉን ኣደስኪሉዎ። ሕዚ ዝበጋገስ ዘሎ ናይ ሰላም ኩነታት ነዚ ኹሉ ዝተኸሰረ ዕድላት ብምክሓስ፡ ነቲ ዞባና ንቕድሚት ብሓድሽ ናይ ምትሕብባርን ይቕረ ምብህሃል መንፈስ ንቕድሚት ክንህር እዩ። ጽገናዊ ለዉጢታት ኢትዮጵያን ንኤርትራን ኣብ ዉሽጢ ሓጺር ግዜ ንኩለን ሃገራት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝበጽሐ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ እዘን ሃገራት ብሓባር እንተዘይሰሪሐን ኣብ ዓለም ንኣሽቲ ቓጽዖታት ክኾና ከምዝኽእላ፡ ብሓባር እንተድኣ ሰሪሐን ግና ጥንኩር ቐጠና ምፍጣር ከምዝኽእላ'ዩ ተዛሪቡ። ካብ 1991-94 ዝነበሩ እዋናት ዝነበረ ራእይ ግን ድማ ብሰንኪ ዝኣረገ ፖለቲካዊ መሪሕነትን ዕድመን ደስኪሉ ዝነበረ ራኢ ብዚ ሓድሽ ሓይሊ ተበጊሱ ዘሎ ምንቕስቓስ ንቲ ዞባ ተስፋ'ዩ ሂቡዎ ኣሎ። ኤርትራ ኽፋል እቲ ዞባ ከም ምዃና ድማ እዚ ብቐጥታ'ዩ ዝጸልዋ። ኤርትራን ኢትዮጵን ን20 ዓመታት ዝሓዘልኦ ዘይተፈትሐ ሽግረን፡ እቲ ኢትዮጵያ ቦኺራትሉ ዝነበረት ስጉምቲ ግብራዊ ንምግባር ዘኽእል ምቅርራብ ጀሚረን ኣለዋ። እዚ ዓብዪ ዝላ፡ ሓደ ንዉሽጣዊ ማሕበረ ቑጠባዉን ፖለቲካዉን ሃዋህዉ ኤርትራ ጅሆ ሒዙዎ ዝጸንሐ ሰራዊት ኢትዮጵያ መሬት ኤርትራ ተባሂሉ ዘትወሰነ ብሓይሊ ተቖጸጺሩዎ ምህላዩ'ዩ። መንግስቲ ኤርትራ ንህዝቢ ኤርትራ ዘእመኖን ብዙሕ ህዝቢ ልኢሙ ዝተቐበሎን ክኣ መሬትና ተወሪሩ እንከሎ ከመይ ገይርና እቲ ንድለዮ ዘለና ለዉጢ ክንሓትትን ክነተግብርን ክበሃል ጸኒሑ። ብዚ ምኽንያት ክኣ፡ ህይወት ኤርትራ ንድሕሪት ተንሸራቲቱ ጸኒሑ። እቲ ዘሕዝን ሕሉፍ መራሕቲ ኢትዮጵያ ( መለስ ዜናዊ ዝጀመሮ ሃይለማርያም ደሳለኝ ክኣ ዝቐጸሎ ስትራቴጂ) ኤርትራ ምድኻምን ኢሳያስ ምንጻልን'ዩ ነይሩ። ሕጂ፡ እዚ ጸገም ተፈቲሑ ማለት ግና ኤርትራ ዉሽጣዊ ምትዕርራያት ክትገብር ተስፋ ዝህብ'ዩ። ልክዕ ኢትዮጵያ ገበረት እሞ ንግበር ዝበሃል'ኳ እንተዘይኾነ ብዙሕ ነገራት ግና ክልወጥ'ዩ። ዘረባ ጓል መገዲ ጽቡቕ ገይርካ ምስ ዘይትሕዞ ዕድላት ዝመስሉ ናይ ባዕሎም ሓደጋ ሒዞም ዝመጽኡ ኣካይዳታት ግና ኣለዉ። ንህወሓት ከም ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ ችግር ብምርኣይ፡ እቲ ሰልፊ ካብ ስልጣን መሊኡ ከምዝተወገደ ዝትንትኑ፡ ን20 ዓመታት ዝዘለቐ ጸገማት ብሙሉኡ ብምስካም ሕጂ'ዩ ህወሓት ዋጋ ናይቲ ዝገበሮ ዝኸፍል ዝብሉ ፖለቲከኛታት ኣለዉ ። ሕነ ክትፈዲ እናደለኻ ግና ሰላም ክተረጋግጽ ኣይትኽእልን። ህወሓት እቲ ቀዳማይ ሚኒስትርነት እዩ ስኢኑ እምበር ሕጂ'ዉን መላፍንቲ እቲ መሪሕ ግንባር ስለዝኾነ ማዕረ ድምጺ ኣለዎ። እቲ ዝነዉሐ ዶብ ኤርትራን፡ ዝኸፍአ ኵናት ተኻይዱዎ ዝያዳ ኣካታዒ ኮይኑ ዝጸንሐን ዘሎን ጉዳይ ክኣ ምስ ክልል ትግራይን ዓፋርን ዝዳወብ'ዩ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ምስሊ ህወሓት እንታይ ይመስል ብዘየገድስ ኣብዚ እዋን ገዛኢ ሰልፊ፣ ካብቲ ህዝቢ ዝነቐለ ትግራዋይ ሓይሊ ከምዝኾነ ክዝንጋዕ የብሉን። ሕጂ ነቓዕ ፈጢርኻ ንቲ ሰልፊ ክተጥቅዕ ምፍታን ግና ዓብዪ ጸገም ኣለዎ'ዩ። እቲ ናይ ዶብ ምፍጣጥ ክሃድእ እንተኾይኑ ግና ኣብቲ ዞባ ዘለዉ ህዝብታትን ምምሕዳራትን ስኒት ክፈጥሩ ኣለዎም። እዚ ስኒት ብኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ድዩ ክመጽእ ወይስ ካብ ታሕቲ'ዩ ዝቦቁል መስርሕ ዝምልሶ'ዩ። ብኻልእ ወገን፡ ጉዳይ ኤርትራ ብሓደ ፕረዚደንት ተወኪሉ ዝርአ ብወገን ተጋሩ ተንተንትን ፖለቲካዊ ተዋሳእቲ ህወሓትን ዝቀርብ ነገር ኣሎ። ንዕኡ ካብ ስልጣን ክተዉርዶ ጥሙሓት ክህልወካ ይኽእል። ንሱ ፕረዚደንት 'ምበር ኤርትራ ግና አይኾነን። ኮይኑ ግና መለኪዒኻ ንሱ እንተኾይኑ ንስኻ'ዉን ንሰላም ድልዉ ኣይኾንካን። ካልእ መሬት ኣይንህብን፣ ህዝቢ ክስማዕ ኣለዎ ዝብሉ ነገራት ኣለዉ። ህዝቢ ክስማዕ ኣለዎ ዝብል ምጉት ዝሰማምዐሉ'ኳ እንተኾንኩ ቀደሙ'ዉን ህዝቢ እንተዝስማዕ ነይሩ ግና ካብ መሰረቱ'ዉን ናብ ኵናት ኣይምተኣተወን ነይሩ። ሓደ መንግስቲ ዓለምለኻዊ ዉዕላት ክፍርም ከሎ፡ ንኩሎም ወገናት ነቲ ዉዕል ከተግብር መብጸዕዓ ይኣቱ ጥራሕ ዘይኮነስ ከፈጽሞም ብቕዓት ኣለኒ'ዩ ዝብል። ስለዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዚ ዓቕሚ ኣለኒ ኢሉ ብዝኣተዉ ስምምዕ ኣልጀርስ ይግደድ። ብዚ ስምምዕ ግና ብወገን ክልቲኤን ሃገራት ዝጉዳእ ናይ ዶብ ህዝቢ ኣሎ። ናይዞም ህዝቢታት መሰል ኣብ ምርግጋጽ ግና ዘቤታዊ ሓላፍነት መንግስቲ ኢትዮጵያ'ዩ። ብወገን ኣመራርሓ ህወሓት ህዝቢ ክስማዕ ኣለዎ ዝብል ዘረባ ጓል መገዲ ይመጽእ ኣሎ። ብመንጽር እዚ ግና ክልቲኤን ሃገራት ድየን ተዛራሪበን ነዞም ዜጋታት ክክሕሰኦም፥ ዜግነት ክልቲኤን ሃገራት ድየን ክህበኦም ወይ ካልእ ተዘራሪበን መዓልቦ ክገብራሉ ኣለወን። እዚ ግና ኣብ ትሕቲ መቐነት ዓለማዊ ሕጊ'ዩ ክኸዉን ዘለዎ። ናይ መንነት ሕቶ ዘልዕሉ ብሄረሰብ ኢሮብ ሕትኦም ልዕሊ ዝኾነ ልክዕ'ዩ። ህዝብና ምስ መሬት ዘለዎ ምትሕሓዝ ዓብዪ ስለዝኾነ ዜግነቶምን መንነቶምን ዝዕቀበሉ መገዲ ምፍጣር ይከኣል'ዩ። ኮይኑ ግና፡ ዓለምለኻዊ ሕጊ ክዉስን ከሎ፡ እቲ ስልጣን ዝተዉሃቦ ቤት ፍርዲ ክልቲኤን ከምዚኦም ዝበሉ ስምዒታዊ ኣርእስታት ኣምጺአን ንቲ ዉሳነ ከየዐንቅፍኦ፡ ከምዚ ዓይነት ግምታት ከይሃብኩም ዶባትና ኣበይ'ዩ ዝብል ወስኑልና ኢለን እየን ንቀያዲ ብይን መብጽዓ ኣትየን። ሕጂ'ዉን ግና እዚ ድልድል ክኾነና እንደልዮ ሰብ ሰራሕ ዶብ ንዝኾነ ነገርና ዝዕንቅፍ ክኸዉን ኣይኽእልን። ዉሽጣዊ ምምሕዳራት እንተጥዕዮም ኪኖ እቲ ኣናኣሽቱ ነገራት ኣብ ጽቡቕ ድሌት ክልቲኡ ወገን ዝምስረት ጽቡቕ ፍታሕ ክመጽእ ይኽእል'ዩ። ከም ኣደራዕ እዚ ሕማቕ ኩነታት ዝተሰከምና ህዝቢ እዚ ተበግሶ ሰላም ክቕልጥፍ ይደሊ። ሓደጋታቱ ግና ብዙሕ ስለዝኾነ ተሃዊክኻ ትደፍኦ ተኾርሚኻ ትሓፍሶ ከይኾነና ህድእ ኢልና ክንኸይድ ኣለና። ምትእምማን ዝጎደሎ ቅርሕንቲ ገና ኣሎ። ዓበይቲ ዞባዊ ጉዳያት'ዉን ኣለዉ። ክልቲኦም መንግስታት ነናይ ገዛእ ርእሶም ዉሽጣዊ ጉዳዮም ከቐድሙ ኣለዎም። ብወገን ኢትዮጵያ \"ፖፒሊስት\" (ስምዒታትን ድሌታት ተራ ህዝቢ እናተናኸፍካ ምንጽብራቕ ምድላይን ምምሳልን ዝርኣዮ ኣካይዳ) እዩ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ። ናይ ብሓቂ ነዊሕ ዝኣመቱ ግብራዊ ፖሊስታት ገና'ዮም ብሕጂ ክትግበሩ፡ እቶም ተግቢሮም ዘለዉ ክኣ ብሕጂ'ዩ ቐጻልነቶም ክፍተን። ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝመርሖ መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ ኣዝዩ ሰፍ ዘይብል ዕዮ ገዛ ኣለዎ። ኣብ ቅርጺ ሓይሊ ናይ ትካላት ዝተሞርኮዘ ዉሳነታት ግን ኣይኮነን ዝዉሰን ዘሎ። መንግስቲ ኤርትራ ክኣ ቅድሚ ተሓላቓይ ናይዚ ዞባ ምዃኑ ተሓላቓይ ናይ ህዝቡ ክኸዉን ኣለዎ። እቲ ረዚን ዋጋ ዝተኸፈሎ ደስኪሉ ዘሎ ኩነታት ኤርትራ ክምለስ፣ ዝተፈናቐለ ህዝቢ ክጠናኸር፣ ትካላት ክቖሙ፣ ዶባትና ክሕንጸጽ፣ ዘይመኸኑ ነተጉታት ክእለዩ፣ ናብ ዉሽጣዊ ጽገናታት ብዘይ ወዓል ክሕደር ክትግበር፣ ፖለቲካዊ ለዉጢ ክመጽእ ኣለዎ። ስለዝኾነ ዉሽጣዊ ጉዳያት ብዕግበትን ብብቕዓትን ንምምላስ ንጡፍ ስራሕ ከይተጀመረ ከሎ ተብተብ ኢልካ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኤርትራን ዝፍረሙ ስምምዓት ነባሪ ሰላም ኣየምጽኡን። ህድእ ኢልና ክንኸይድ ኣለና። ፅልዋ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን እዚ ዞባና ብደረጃ ዓለም ስትራቴጂካዊ ዞባ ስለዝኾነ ኪኖ ኢትዮ-ኤርትራ ዘገድሶም ናይ ግዳም ሓይልታት ኣለዉ። ስለዚ ኣብ ካልእ ዓለም ዝተርኣየ ምዕባለታት ንዚ ዞባ እዚ ክጸልዎ ጸኒሑ'ዩ። ሓደ፡ ኣብ 2001 ኣብ ኣሜሪካ ዘጋጠመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ 9\/11 ዝወለዖ ዓለማዊ ቃልሲ ኣንጻር ግብረ ራዕዲ ኩነታት ዞባና ቐጥታዊ መዋስኢ እዚ ጉዳይ ነይሩ። ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣነ'ዶ ኣነ ይወዳደራ ስለዝነበራ፡ ሓድ ሕደን ዝጠቓቕዓሉ ኩነታት'ዩ ነይሩ። እዚ ነቲ ቀይሕ ባሕሪ፣ ህንዲ ዉቅያኖስን ገልፍ ኦፍ ኤደንን ቅርጹ ክልወጥ ዝገበረ ሓደ መልክዕ'ዩ። ኣብ ሞንጎ ሱኒ ዓረብን ሺዓ ኢራንን ዘሎ ምፍጣጥ ክኣ፡ ዞባና ከም ሓደ ናይ መዋስኢ ባይታ'ዩ ነይሩ። ናይዞም ክልተ ወገናት ዘይምቅድዳዉ ሎሚ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኣዕናዊ ተግባር ቀጥታዊ ዉጽኢት ሺዓን ሱኒን፡ ፍሕፍሕ ማእኸላይ ምብራቕ'ዩ። ሑቲ ዝበሃሉ ሓይልታት'ዉን ኣብ የመን ንዘሎ ኩነታት ዝነበረ ተዛማዲ ርግኣት ናብ ሕንፍሽፍሽ ኣእቲዩዎ። እዚ ንዞባና ብዝነበሮ ጽልዋ ክኣ፡ ወሽመጥ ቀይሕ ባሕሪ፡ ናይዘን መላፍንቲ ሃገራት (ስዑዲያ፣ ቐጠርን ኢማራትን ከምኡ'ዉን ሱዳንን ሴኔጋልን) ኣብ ኤርትራ መደብር ክህልወን ኣርቢሑዎን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ን20 ዓመታት ዝተኸተሎ ኤርትራ ናይ ምንጻል ስትራቴጂ፡ ከም ዉጽኢቱ ኤርትራ ካብዚ ስትራቴጂ ብኸፊል ንምዉጻእን ብኸፊል ኸኣ ናይ ገዛእ ርእሳ ረብሓታት ንምስጓም ነዘን ሃገራት ኣብ ዓሰብ መደብር ከምዝሃበተን ይፍለጥ። እዘን ሃገራት ኣብዚ ዞባ ሃናጺ ተራ ኣብ ክንዲ ምጽዋት ንጡፍ ኣዕናዊ ተራ ምጽዋተን ንቲ ናይ ሶማሊያ ኩነታት ካብ ሕማቕ ናብ ዝበኣሰ ስለዝወሰዶ፡ ኣብቲ ዞባ ጸጥታዊ ጸገም ብምፍጣር ካልኦት ሓይልታት ግዳም ዝዕድማ ምስሳን ኣልሸባብን ካልኦት ሓይልታትን ተራእዩ። ኣዕቢና ካብዚ ዞባ እንትወጽእ ድማ፡ቻይና ንፈለማ እዋን ካብ ሃገራ ወጸኢ ኣብ ጅቡቲ ወተሃደራዊ መዋፈሪ ምኽፋታ መርኣያ እቲ ምስ ኣሜሪካ ዘለዋ ምዉድዳር'ዩ። ኣሜሪካ ምስ ጅቡቲ ዝነበራ ዝምድና ሕጉስቲ ዘይምኻና'ዉን መርኣያ እቲ ምስ ኣሜሪካ ዘለዋ ዉድድር ትዕወተሉ ዘይህላዋ'ዩ ዘርኢ። ነዚ እዩ ድማ ሃናጺ ተራ ኣሜሪካ ኣብዚ ሕጂ ዝበጋገስ ዘሎ ሰላማዊ ኣየር ኢትዮጵያን ኤርትራን ጎሊሑ ዝርአ ዘሎ። ስምምዕ ኣልጀርስ እንትፍረም ዋሕስ ዝነበረት ኣሜሪካ ሕጂ'ዉን ዋሕስ እዚ ናይ ሕጂ ተበግሶ ሰላም ምዃና ኣይተርፍን።","category":"ሕብረት ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-44791444"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈጸመ ግህሰት ዝምርምር ኮሚሽን ሓድሽ ኣቦ መንበር መዚዙ","content":"ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ዝተፈጸሙ ግህሰታት ዝምርምር ጕጅለ ክኢላታት ሓድሽ ኣቦ መንበር ምምራጹ ኣፍሊጡ። እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ 12 ታሕሳስ 2015 [ግእዝ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ታንዛንያዊ መሓመድ ቻንደ ዑስማን ሓድሽ ኣቦ መንበር ኰይኑ ከም ዝተመዘዘ ሓቢሩ። እቲ ሓድሽ ኣቦ መንበር ዝተመዘዘ፡ እታ ነቲ ኮሚሽን እትመርሕ ዝነበረት ኬንያዊት ካሪ ቤቲ ሙሪንጊ ካብ ስልጣና ድሕሪ ምውራዳ ከም ዝዀነ’ውን ኣፍሊጡ። እቲ መግለጺ፡ ካሪቤቲ ንምንታይን መዓስን ከም ዝወረደት ብዝምልከት ዝበሎ ነገር የለን። ታንዛንያዊ ጠበቓን ላዕለዋይ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነበርን መሓመድ ቻንደ ኣትማን ሳልሳይ ኣቦ መንበር እቲ ኮሚሽን እዩ። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ዝተፈፀሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ሕግታት ስደትን ካልኦት ግህሰትታትን ንምጽራይን ነጻ ምርመራ ንምክያድን ዝተመስረተ ጕጅለ ኣብ መስከረም ናይዚ ዓመት ርኽበታቱ ኣውጺኡ ነይሩ። ኣብቲ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት፡ ዓመጽ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ​​ጃምላዊ ቅትለትን ጥምየት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ከም ኣጽዋር ምጥቃምን ከም ዝተፈጸመ መርትዖታት ከም ዘሎን ጸብጻብ ናይቲ ኮሚሽን ኣቃሊዑ’ዩ። እቲ ኮሚሽን እዞም ጥሕሰታት ገበናት ኲናት ከምኡ’ውን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ምዃኖም ከም ዝኣምን ሓቢሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጸብጻብ እቲ ኮሚሽን ከም ዘይቅበሎ ኣፍሊጡ እዩ። ኢትዮጵያ ኣህጉራዊ መርማሪ ንምቛም ዝተወሰነ ውሳነን ዕድመ እቲ ኮሚሽን ምንዋሕን ክትቃወም ከም ዝጸንሐት ይዝከር። ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ከም መሳርሒ ፕሮፖጋንዳ ንፖለቲካዊ ዕላማታት ይውዕል ኣሎ፣ ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ጣልቃ ምእታው እዩ ክትብል ዝኸሰሰት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ምንዋሕ ናይቲ ኮሚሽን ክቋረጽ ከም ዝሓተተት ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ሓቢረን። ይዅን እምበር ኢትዮጵያ ናብ ረብሓ ነጻ ቀረጽ ንግዲ (AGOA) ንምምላስ፡ ነቲ ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ዝተፈፀሙ ግህሰታት ዘጻርይ ጉጅለ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታት ፍቓድ ከም ትህብ ተሓቢሩ። እቲ ጕጅለ ክኢላታት ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ መርመራ ምግብሩ ከም ቅድመኵነት ከም ዝተቐመጠ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ምሕባሩ ጸብጻብ ጋዜጣ እንግሊዝኛ ሪፖርተር የመልክት። መርመርቲ ኣብ ክልል ትግራይ ኲናት ናብ ዝተፈፀመሎም ከባቢታት ክኸዱ ከም ዘይተፈቐደሉ እቲ ኮሚሽን ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ኣሜሪካ ምስ ኲናት ትግራይ ተተሓሒዙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈፂማ ብዝብል ምኽንያት ኢትዮጵያ ካብ ቀረፅ ነፃ ንግዲ (ኣጎዋ) ከም ዝኣገደት’ውን ይዝከር። እቲ መርማሪ ጕጅለ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ለካቲት ክጣየሽ ከሎ፡ ዓቃቢት ሕጊ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ነበር ፋቱ ቤንሱዳ ኣደመንበር ኰይና ተመዚዛ ነይራ። ፋቱ ቤንሱዳ ኣምባሳደር ጋምብያ ኣብ ብሪጣንያ ኰይና ድሕሪ ምምዛዛ ከም ኣደመንበር ናይቲ ኮሚሽን ዝነበራ ስልጣን ኣረኪባ። ኣብ ክንዲ ሚስተር ሙሩንጊ ቀዳማይ ኣባል ተባሂላ ዝተሰየመት ኬንያዊት ጠበቓን ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላትን ካሪ ቤቲ ሙሩንጊ ኣቦ መንበር ክትከውን ከም ዝተወሰነ ይፍለጥ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕጊ ሚቺጋን ፕሮፌሰር ዝኾነ ኣሜሪካዊ ስቲቨን ራትነር ድማ ኣባል ኣህጉራዊ ጉጅለ መርማሪ ገበናት ኲናት እዩ። ብተወሳኺ ዜጋ ሲሪላንካ ዝኾነ ራዲካ ኩማራስዋሚ ኣባል እቲ ኮሚሽን ኮይኑ ከም ዝተሸመ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ'ሎ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c87erj3zv7ko"} {"headline":"ኤርትራ ኣብ ዓለም ንዝነውሐ እዋን ሰባት ዝተኣስሩላ ሃገር'ያ- ሕቡራት ሃገራት","content":"ኩነታት ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ኤርትራ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ ክብል ሓደ ኪኢላ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ፍሉይ ተኸታታሊ ጉዳያት ሰባዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ንሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ እቲ ኩነታት \"ኣዝዩ እናኸፍአ ይኸይድ ኣሎ\" ክብል ኣጠንቂቑ። እቲ ኣብ 2020 ዝተመዘዘ ፍሉይ ተኸታታሊ (ስፐሻል ራፑቶር) ሱዳናዊ መሓመድ ዓብደልሳላም ባቢከር፡ እታ ሃገር ኣባል ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ኮይና ከተብቅዕ ምስኡ ዘይምትሕብባራ \"ብድሆ\" ኮይኑ ከምዘሎ ገሊጹ። \"ንዝተዋህቦ መዝነትን ለበዋታት ኣካላት ሰባዊ መሰላትን ምሉእ ምትሕብባር ዘይምሃብ ትቕጽሎ ብምህላዋ፡ ንተኣማንነትን ክብርን ስርዓት ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ'ዩ\" ከምዝበለ፡ ቤት ጽሕፈት ሰባዊ መሰላት እቲ ውድብ ኣብ ዘውጽኦ ዜናዊ ጸብጻብ ሓቢሩ። ኤርትራ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ኣባል ናይቲ ኣብ ጀነቫ (ስዊዘርላንድ) 'ዝመደበሩ ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ብምዃን ካብ 2022 ክሳብ 2024 ከተገልግል ምምራጻ ይዝከር። \"'ቪላታት' ተባሂሎም ዝጽውዑ ምስጢራውያን ናይ ስቅያት ቦታታትን ግዱድን ገደብ-ኣልቦን ውትህድርና\" ኣካል ናይቲ ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ መሰላት ምዃኑ'ውን እቲ ፍሉይ ተኸታታሊ ሓቢሩ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ፈለማ 90ታት ኣብ ቀይዲ ዘእተዎም ብዙሓት ውልቀሰባት ክሳብ ሎሚ ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥ ተሓለቕቲ መሰላት ይገልጹ። ኣብ መስከረም 2001 ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሓያሎ ሚኒስተራት፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ፡ ከምኡ'ውን ሓያለ ጋዜጠኛታት ንልዕሊ 20 ዓመታት ተሰዊሮም ይርከቡ። \"እዞም ኣብ ዓለም ንዝነውሐ ግዜ ዝተኣስሩ፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲን መዳጒኒታትን ብስዉር ይሳቐዩ ኣለዉ\" ክብል ባቢከር ንሓፈሻዊ ባይቶ ኣረዲኡ። ሰብመዚ ጸጥታ ኤርትራ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓደ ጳጳስ ዝርከብዎም ካህናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ቀይዲ ኣእትዮም ነይሮም። ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጐስ ጳጳስ ዘመንበረ ሰገነይቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ 15 ጥቅምቲ ካብ መገሻኦም ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ምስ ኣተው፡ ብኡ ንብኡ ኣባላት ጸጥታ ኤርትራ ተሲሮም ከምዝወሰድዎም ምንጭታት ካብ ውሽጥን ወጻእን ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም ነይሮም። \"መንግስቲ ኤርትራ፡ ንቆልዑ፡ እሱራት ፖለቲካ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ብስዉር ዝተኣስሩ ሰባትን ብምኽንያት ሃማኖታዊ እምነቶም ዝተኣስሩን ክፈትሕ ኣለዎ። \"ኩሎም ኤርትራውያን ሃይማኖታዊ እምነቶም ብናጽነት ክስዕቡ ከፍቅደሎም\" ጸዊዑ። ኣብታ ሃገር ሰዓብቲን መራሕቲን ናይተን ንኣስታት 20 ዓመታት ዝተኣገዳ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስትያን ብሰንኪ እምነቶም ክእሰሩ ምጸንሖም ይፍለጥ። ኤርትራ ኣብ ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዘለዋ ኣባልነት ብምጥቃም፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ምግሃስ መሰላት ከይጻረ ተጻሪራ ዝበለ እቲ ፍሉይ ተኸታታሊ፡ ዓለምለኻዊ ኣጻራዪ ኮሚሽን ከይቀውም'ውን ተቓዊማ ክብል ነቒፉ። እታ ኣብ ኲናት ትግራይ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ሰራዊታ ተሳትፍ ዘላ ኤርትራ ሓይልታታ ኣብቲ ክልል ከበድቲ ምግሃስ መሰላት ፈጺሞም ንዝብሉ ክስታት ክትነጽጎም ጸኒሓ'ያ። ኣብ ትግራይ ውግእ ዳግማይ ድሕሪ ምውልዑ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብታ ሃገር ሰፊሕ ግፋን ማእሰርትን ከካይድ ምጽንሑ ይፍለጥ። ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ዝርከብዎም ብዙሓት ደቂተባዕትዮ ድማ ናብ ግንባራት ኲናትን መደበራት ተዓሊምን ከምዝተወስዱ ጸብጻባት ይሕብሩ። ድሕነት ናይቶም በቲ ኲናት ዝተጸልዉ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ተነቀፍቲ ክፋላት ናይቲ ሕዝቢን ክሕሎን ዶ\/ር መሓመድ ኣተሓሳሲቡ። ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቶም ስደተኛታት ክበጽሕ ከምዘይክኣለ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ጠቒሱ። ተወለድቲ ብሄረ ዓፋር ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብቲ ኣብ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ ዘሎ መዓስከር ኣስዪታ ምስ ኣተዉ ዑቕባ ይንፈጎም ኣሎ ዝብል ዘሻቕል ሓበሬታ ከምዝበጽሖ'ውን ዶ\/ር መሓመድ ዓብደልሰሳላም ባቢከር ኣነጺሩ'ሎ። እቲ ሱዳናዊ ፍሉይ ተኸታታሊ ኩነታት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካርቱም ፕሮፌሰር ዓለምለኻዊ ሕጊ ኮይኑ፡ መስራቲ ዳይረክተር ማእከል ሰባዊ መሰላት ዝነበረ'ዩ። መዝነቱ ከይናዋሕ ክጽዕሩ ዝጸንሑ ሰብመዚ ኤርትራ፡ ነቲ ዝቐርበሎም ክስታት ምግሃስ መሰላት \"ፖለቲካዊ ዕላማ\" ዘለዎ'ዩ ብምባል ክነቕፍዎ ምጽንሖም ይፍለጥ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c030x723773o"} {"headline":"ቈላሕታ ዝተነፍጎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ጅቡቲ","content":"ኣብ ጅቡቲ መዓስከር ዓሊዓደ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብሕጽረት መቝነንን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ኣብ ጸገም ከም ዝርከቡ ንቢቢሲ ሓቢሮም። ኣብ 2011 ካብ ኤርትራ ሰጊሩ ኣብቲ መዓስከር ንኣስታት 12 ዓመት ዝተቐመጠ ንድሕነቱ ሓይለኣብ ብዝብል ስም ክጽዋዕ ዝመረጸ ኤርትራዊ፡ ኣብቲ መዓስከር ልዕሊ 10 ዝዀና ኣደ ቈልዑ ዝርከባኦም ልዕሊ 15 ዓመት ዝተቐመጡ ብድምር ኣስታት 250 ዝዀኑ ስደተኛታት፡ ዝግባእ ቈላሕታ ስኢኖም ኣብ ሕማቕ ኵነታት ከምዝርከቡ ገሊጹ። ኣብ ዝተፈላለየ ማዕከናት ዜና ክሳብ 1ሽሕ ዝኸውን ኤርትራዊ ስደተኛ ከም ዘሎ’ኳ ዝዝረብ እንተዀነ፡ ብዙሓት ካብኣቶም ብሓገዝ ቤተሰብ ገሊኦም ብኢትዮጲያ ኣቢሎም ናብ ሱዳን ካብኡ ብሰሃራን ባሕርን ስለዝሰገሩ እቶም ዝተረፉ ካብ 250 ከም ዘይበዝሑን ኣብ ጸገም ከምዘለውን የረድእ። ንዕማ ዝተባህለት ኤርትራዊት ብወገና፡ ክልተ ቈልዑ ሒዛ ብዓሰብ ናብ ጅቡቲ ድሕሪ ምስጋራ፡ ኣብቲ መዓስከር ዓሊዓደ ብዘይ ሓደ ለውጢ ሸውዓተ ዓመታት ከም ዝሓለፈ ትዛረብ። ኣብዚ እዋን ደሃይ ሰብኣያ ከም ዘይትፈልጥን፡ ነታ 12 ዓመት ዝዕድመኣ ጓላን፡ ወዲ 10 ዓመት ወዳን ንበይና ተጻጊማ ተዕብዮም ከም ዘላን ትገልጽ። ሓይልኣብ፡ መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ጅቡቲ ዘለው ስደተኛታት፡ ካብ ዓሰብን ከባቢኡን ዝሰገሩ ወተሃደራት ብምዃኖም ብሰንኪ’ቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ጅቡትን ዘሎ ኵነታት ጽቡቕ ኣተሓሕዛ ከምዘይብሎም ይሕብር። ነቶም ኣብዚ ቐረባ ግዜ ናብ ካናዳ ዝሰገሩ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራን ጅቡትን ብዝተፈጥረ ኵነታት ተኣሲሮም ዝነበሩ፡ ኤርትራውያን ብምዝካር፡  “ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ነጸላ መንደቕና እዮም ነይሮም፡” ይብል። ኣተሓሒዙ፡ ዝበዝሕ እቲ ወተሃደር ዝነበረ፡ ወይ ከም ዝነበረ ዝተጠርጠረ ንዓመታት ተኣሲሩ ዝወጽአን ብዙሕ ሽግራት ዝረኣየን ምዃኑ ብምምልካት፡ “ኣነ ንባዕለይ ልዕሊ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ተኣሲረ እየ፡” ይብል። ዕላማኣ እንክትገልጽ ንዕማ ብወገና፡ ብፍላይ ንቘልዑታ ዝሓሸን ናብ ሳልሳይ ሃገር ናይ ምስጋር ዕድልን እንተተረኽበ ብዝብል ተስፋ ካብ ኤርትራ ከም ዝተሰደት ኣብቲ ንቢቢሲ ዝሃበቶ ሓበሬታ ኣመልኪታ። ሓይልኣብ፡ ጕዳዮም ምስ ካልኦት ብፍላይ ሶማላውያን ስደተኛታት ብምንጽጻር ክዛረብ እንከሎ፡  ንሳቶም ኣብ ጅቡቲ ናይ ቋንቋን ባህልን ብልጫ ስለዘለዎም ብዙሕ ከምዘይጽገሙን ካብ መዓስከር ክወጽኡን ክሰርሑን ከምዝኽእሉን ይሕብር። ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘለው ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሶማላውያን ብጕዳዮም ስለዝዛረቡ ከም ውጽኢቱ፡ ኣብ 2019 ኣቢሉ ቅድሚ ኮሮና፡ “ልዕሊ 300 ሶማላውያን ናብ ካናዳ ክሰጋገሩ ዕድል ረኺቦም፡” ብምባል ምስኣቶም ሓደ ኤርትራዊ ጥራይ  ዕድል ከምዝረኸበ የረድእ። ብዛዕባቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወሃብ ዕድል ዝዀነ ተስፋ’ውን ሰሚዓ ከምዘይትፈልጥ፡ “መጻኢ እንታይ እዩ ክኸውን?” ብምባል ንዕማ፡ ብመጻኢኣን ደቃን ስክፍታኣ ትገልጽ። “ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣቢሉ ገለ ካባና ናብ ኣሜሪካ ናይ ምኻድ ዕድል ተረኺቡ ተባሂሉ፡ ወረቐት መሊእና ኔርና፤ ደሓር ግን ህጣሙ ጠፊኡ፡ እንታይ ከም ዝዀነ ኣይንፍልጥን፣ እንሓቶን ዝምልሰልናን ኣካል ኣይረኸብናን፡ ወረቐት ጥራይ ሒዝና ተሪፍና፡” ድሕሪ ምባል ሓይልኣብ፡ “ኵሎም ትካላት፡ ሰበስልጣን ጅቡቲ ይዅኑ፡ ዩኤንኤችሲኣር፡ ቍሊሕ ዝብለና ኣይረኸብናን፡” ይብል። ሓይልኣብ ኣተሓሒዙ፡ ብወገንና ግን ብዛዕባ ኣብዚ ኣብ ጅቡቲ ዘሎ ስደተኛ ብዙሕ ክዝረብ ኣይንሰምዕን፡ “ከም ዝመስለኒ፡ ኣብ ጅቡቲ ስደተኛታት ምህላውና ዝፈልጥ’ውን ውሑድ እዩ፡” ብዅሉ ተረሲዕና ኢና ይብል። ኣስቴር ብወገና፡ ኣብዚ ሸውዓተ ዓመት፡ ኣብዚ መዓስከር ዝዀነ ዝረኣኽዎ ነገር ስለዘየለ፡ ኵሉ ብስደተኛታት ዝግደስ ዘበለ ዩኤኤችሲኣር ይዅን ካልኦት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ትካላትን ቈላሕታ ንኽገብሩን ኣቓልቦ ክህብዎምን ትጽውዕ። ቢቢሲ፡ ነዚ ብኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ጅቡቲ ዝቐረበ መረረ ዝምልክት መልሲ ንምርካብ ናብ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሕቶታት ዘቕረበ ኰይኑ፡ ብወገን ‘ቲ ኮሚሽን ዝዀነ ምላሽ ኣይተረኽበን። ስደተኛ ኴንካ እሞ ኣብ ጅቡቲ ናብራ ብዅሉ ሸነኻቱ መሪር ምዃኑ፡ እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ስደተኛታት ይገልጹ። “መነባብሮ ከቢድ እዩ፡ ሓደ እቲ ዝወሃብ ዝነበረ መቝነን ካብቲ ዝነበሮ ኣመና ጐዲሉ እዩ፣ ንሓደ ሰብ 3 ኪሎ ፊኖን ክልተ ኪሎ ማሸላን ንወርሒ እዩ ዝወሃብ፡ ክትገልጾ ካብ ዝከኣል ንላዕሊ ናብራ ከቢድ እዩ፡” ይብል ሓይልኣብ። ኣስቴር ዝተባህለት ስደተኛ ብወገና፡ “ናብራ'ኳ ናብራ ክበሃል ዝከኣል ኣይኰነን፡ እቲ ቀረብ ውሑድ እዩ - እሞ ቈልዑ ሒዝካ” ድሕሪ ምባል፡ “እተን ዝወሃባና 500 ፍራንክ ጅቡቲ'ውን ዝጠቕማ ኣይኰናን፡” ብምባል ንኽብደት መዓልታዊ መነባብሮኦም ትገልጽ። እዚ ዘለናዮ መዓስከር በረኻ እዩ፡ ካብቲ ከተማ 120 ኪሎ ሜትር ርሒቝ እዩ ዝርከብ፡ ብምባል ኣብቲ ከባቢ ዋላ ሓንቲ ክግበር ዝኽእል ነገር ከምዘይለ ኣስቴር ተረድእ። ሓይልኣብ’ውን፡ ብመሰረቱ ዕድል ስራሕ ወይ ፍቓድ ስራሕ ከምዘየለን፡ ናይ ምንቅስቓስ ናጽነት’ውን ስለዘየለ፡ ተንቀሳቒስካ ምስራሕ ዝሕሰብ ኣይኰነን፡ ይብል። በዚ መሰረት፡ “ግድን ካብ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘለው ሰብካ፡ ይውሓድ ይብዛሕ ዝዀነ ደገፍ ከይረኽብካ ክንበር ኣይከኣልን እዩ፡” ይብሉ። ምስዚ ኵሉ ሕሱም ናብራ ግን ቈልዑ፡ ኣብቲ መዓስከር ኣብ ዝተቐረበ ዕድል ትምህርቲ ክመሃሩ ስለዝውዕሉ፡ ነዛ ዕድል ከም ዘመስግና እተን ስደተኛታት ይገልጻ። ኣብ ኤርትራ ምስ ዘለው ስድራቤታቶም ብቐጻልነት ክራኸቡ ዕድል ከም ዘየለ ዝገልጹ እዞም ስደተኛታት፡ “ኣብ ወርሒ ናይ ኣርባዕተ ደቒቕ መደወሊ ካርድ ኣላትና፡ ብኡ ኢና ንጥቀም፣ ከም ልብኻ ክትዛረብን ደሃያ ስድራኻ ክትፈልጥን ግን ኣጸጋሚ እዩ፡” ትብል ንዕማ። ሓይልኣብ ብወገኑ፡ ስድራኡ ኣብ ገጠር ከምዝነብሩ ብምግላጽ፡ ዝበዝሕ ግዜ ደዊሉ ክረኽቦም ከም ዝጽገምን፡ ደሃዮም ኣብ ነዊሕ ከም ዝሰምዕን ይዛረብ። ኣብ መወዳእታ፡ ዝሓሸ መጻኢ ክህልዎም፡ ምስግጋር ናብ ሳልሳይ ሃገር ዝርከበሉ ዕድላት ቈላሕታ ክረኽቡ ትካላት ስደተኛታት ጅቡቲ ይዅን ውድብ ሕቡራት ሃገራት - ዩኤንኤችሲኣር ዝግባእ ቈላሕታ ክህባኦም ኵሎም ይምሕጸኑ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ckvx1391zyvo"} {"headline":"ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዳግማይ ዝተወለዐ ኲናት ጠጠው ክብል ጸዊዑ","content":"ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕብረት ኣውሮጳን ኣሜሪካን እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዳግማይ ዝተወለዐ ኲናት ደው ክብል ፃውዒት ኣቕሪቦም። እቲ ቅድሚ ኣዋርሕ ንዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተፃብኦ ስዒቡ ኣቋሪፁ ዝፀንሐ ኲናት መሊሱ ምውልዑ ከምዘሻቐሎም ኣፍሊጦም ኣለዉ። ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን ብቅልጡፍ ተኹሲ ጠጠው ከብሉ ጸዊዑ። መንግስቲ ፌደራልን ሰራዊት ትግራይን መጠነ ሰፊሕ ኵናት ከምዝተጀመረ ዝገለጹ ኰይኖም፡ ንሓድሕዶም ይካሰሱ ኣለዉ። ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ በቲ ትማሊ ንግሆ ዳግማይ ዝተወለዐ ኲናት ኣዝዩ ከምዝሓዘነ ገሊጹ። “ብጣዕሚ እየ ሰምቢደን ሓዚነን። ኢትዮጵያውያን፣ ተጋሩ፣ ኣምሓሩ፣ ኦሮሞን ዓፋርን ብጣዕሚ ተሳቕዮም’ዮም። ብቅልጡፍ ምቁራፅ ተፃብኦ ክግበርን ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ሰላማዊ ዝርርብ ክቕፅልን እምሕፀን\" ኢሉ። እቲ ዋና ፀሓፊ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ዘድልዮ ህዝቢ ብዘይገደብ ክበፅሕን ኣብ ትግራይ ዝተቛረፁ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ክምለሱን ጸዊዑ ኣሎ። ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገኑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዳግማይ ኲናት ምውልዑ ዝገልጹ ጸብጻባት ምስ ሰምዐ፡ ኣዝዩ ከም ዝተሻቐለ ሓቢሩ። ሙሳ ፋቂ መሓማት፡ ተጻብኦታት ብቕልጡፍ ደው ክብሉ ዝጸወዐ ዀይኑ ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት፡ ናብቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ዘተ ክምለሱ ኣትሪሩ ተማሕጺኑ ኣሎ። ፍሉይ ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪቃ፡ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ድማ ጻዕሩ ክቕጽል ሓቲቱ። ኦባሳንጆ፡ እቲ ዝፍተን ዝነበረ ልዝብ ክምእዝን፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝድለ ወኪል እዩ። መራሕቲ ትግራይ ግን፡  'ዘይሻራዊ ኣይኮነን' ክብሉ ዝነቐፈዎ ዀይኖም፡ መንጎኛ ዀይኑ ከዛትዮም ከምዘይኽእል ገሊጾም እዮም። ኣብ ክንድኡ ድማ፡ መንግስቲ ኬንያ ከዛትዮም ይመርጹ። ኣመሪካ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣቢላ ኣብቲ ዳግም ዝተወለዐ ግጭት ስክፍታኣ ገሊጻ ኣላ። መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ህወሓትን ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ናብ ቀዋሚ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ንምብፃሕን ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ጎንፂ ንሓዋሩ ከብቅዕን ዝገብርዎ ዘለዉ ፃዕሪ ከሐይሉ ፃውዒት ኣቕሪቡ። ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝተኣወጀ ስምምዕነት ሰብኣዊ ተኹሲ ደው ምባል ናብ ክልላት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽበፅሕ መንገዲ ከምዝፈጠረ ኣብቲ ትማሊ ኣብ ዝወፀ መግለፂ ኣዘኻኺሩ። ብተወሳኺ ኣብ ቀረባ መዓልታት ዝተጀመረ ኲናት፣ ትንኮያ ዝተመልኡ ተረኻትን ናይ ዘላቒ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ዘይምብፃሕን ነቲ ክረአ ዝፀንሐ ምዕባለታት ኣብ ሓደጋ ከምዘእተዎ ኣመልኪቱ። ምጅማር ኲናት ነቲ ንኹሉ ዘሳትፍ ፖለቲካዊ መስርሕ ንምፍጣር ዝግበር ፃዕሪ ከምዘተኣጓጉሎ ዘመልከተ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ፡ ሰላምን ድሕነትን ኢትዮጵያ ክዝረግ፣ ስቅያት ዜጋታት ክሰፍሕ፣ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ክፍጸሙን ቁጠባዊ ቅልውላዋት ክስዕቡን ከምዝገብር ኣጠንቂቑ። ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ልዝብ ጉጅለ ​​ምጥያሹን ንሰላማዊ ዘተ ዘለዎ ድልየት ምግላፁን ከምዝተገንዘበ ሓቢሩ'ሎ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኩሎም ወገናት ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤትን ነዳድን ክቕጽሉ፤ ካብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክዕቀቡን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክመልሱን ድማ ኣተሓሳሲቡ። ላዕለዋይ ወኪል ጉዳያት ወፃእን ፖሊሲ ፀጥታን ሕብረት ኣውሮፓን ምክትል ፕረዚደንት ኮሚሽን ኣውሮፓን ጆሴፍ ቦረል ሰላማዊ ዘተ ክካየድ ፀዊዑ። ትማሊ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ዝተወለዐ ግጭት ኣብ ልዕሊ ተስፋ ሰላም ፅላሎት ከም ዝፈጠረ ሓቢሩ። ጆሴፍ ቦረል መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ኩነታት ከይገደደ ነቲ ግጭት ደው ከብሉ ፀዊዑ'ሎ።\\n\\n\"እዚ እዋን ዘተ ሰላም ዝግበረሉ እዋኑ እዩ\" ኢሉ። ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ፡ ብግንባር ደቡብ ኣብ ከባቢታት ኣላማጣ ብሰራዊት ፌደራል፣ ሓይልታት ኣምሓራን ሚልሻን፡ ትማሊ ወጋሕታ [24 ታሕሳስ 2022] ከባቢ ሰዓት 11፡00 (05፡00) ጀሚሩ መጠነ ሰፊሕ ኵናት ከምዝተኸፈቶ መግለጺ ከምዘውጽ ይፍለጥ። መንግስቲ ፌዴራል ብወገኑ ብመገዲ ቤት ጸሕፈት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ፡ ድሒሩ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰራዊት ትግራይ፡ ነቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተበጽሕ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ብምጥሓስ ነቲ ኵናት ከም ዝጀመርዎ ኣፍሊጡ። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ ኣብ ገለ ዶባዊ ከባቢታት ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ተኹሲ ከምዝሰምዑ ገሊፆም። ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ወረዳ ራያ ቆቦን ኣብ ደቡብ ትግራይ ከባብታት ራያ ኣላማጣን ዝርከቡ ነበርቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ካብ ትማሊ ንጉሆ ጀሚሩ ብርቱዕ ተኹሲ ይሰምዑ ምህላዎም ሓቢሮም። ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰለስተ ሰባት፡ ድምጺ ከበድቲ መዳፍዕ ከም ዝሰምዑ እንተዀነ ካብ ኣየናይ ሸነኽ ከምዝተተኮሰ ከም ዘይፈልጡ ሓቢሮም። ብፍላይ፡ እቲ ድምጺ ውግእ ዝስማዓሉ፡ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ዝዳወብሉ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ዝርከብ፣ ሰሌን ውሃ ዝበሃል ከባቢ ምዃኑ እቶም ነበርቲ ንቢቢሲ ወሲኾም ገሊፆም። ሓደ ነባሪ ከባቢ ቆቦ፡ \"ካብ ወጋሕታ ሎሚ (ረቡዕ 18 ነሓሰ 2014) ጀሚሩ ብርቱዕ ተኹሲ ክሰምዕ ጸኒሐ\" ክብል ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብቲ ከባቢ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ከምዝነበረ ነበርቲ ተዛሪቦም ክብል ሮይተርስ ጸብጺቡ'ሎ። \"ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ፋኖን ብኣውቶቡስ ናብ ግንባር ክኸዱ ርእየዮም\" ይብል ሓደ ንሮይተርስ ዝተዛረበ ስሙ ዘይተጸርሐ ነባሪ። እቲ ንዝሓለፉ ሽድሽተ ኣዋርሕ ሃዲኡ ዝነበረ ኲናት ዳግማይ ምውልዑ ኣብ ዝተነግረሉ ተመሳሳሊ መዓልቲ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ሓንቲ ናብ ሓይልታት ትግራይ ኣጽዋር ንምብጻሕ ዝፈተነት ነፋሪት ሃሪሙ ከም ዘውደቐ ገሊጹ። መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም፡ 'ናብ ትግራይ ኣጽዋር ውግእ እተግዕዝ ነፋሪት ተሃሪማ ወዲቓ' ዝብል፡ ሓበሬታ ውጹእ ሕሶት ክብሉ ነጾጎምዎ። ትማሊ ኣማስዮም፡ ብቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ኣቢሎም ዘውጽእዎ መግለጺ፡“እዚ ጻዕዳ ሕሶት እዩ። ናብ ትግራይ ዝኣተወት ኮነ ዝተወቐዐት ነፋሪት የላን” ይብል። ሓላፊ ስርሒታት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሜጀር ጀነራል ተስፋዬ አያሌው፡ እታ ነፋሪት ብሱዳን ኣቢላ ናብ ትግራይ ክትሓልፍ ከምዝተሃርመት ምግላጹ መንግስታዊ ማዕኸን ዜና እታ ሃገር ኢቢሲ ይጠቅስ። እንተኾነ ግን፡ ኣማኻሪ ጉዳያት ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሬድዋ ሑሴን እታ ተሃሪማ ወዲቓ ዝተባህለት ነፋሪት ኣብ ማዕርፎነ ነፈርቲ መቐለ ኣሉላ ኣባነጋ፡ ከምዝተሃርመት ዝገልጽ ዝራጸም ሓበሬታ ኣውጺኡ። ንሱ፡ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ \"ንሓድሕና ብምንኻስ ንሃገርና ንምድኻም ዘይስልኪ ትምኒት፡ ትልምን ምንቅስቓስን ብምግባር ናይ ዝፍለጡ ታሪኻዊ ጸላእቲ ሃገርና ንብረት ዝኾነ ነፋሪት፡ ብረት ጽዒኑ ኣብ መቐለ እናራገፈ እንከሎ ተሃሪሙ ምውዳቑን [ሰራዊት] ምክልኻል ገሊጹ\" ኢሉ። እቲ ካብ መራሕቲ ትግራይ ዝወጽአ መግለጺ፡ \"ኣብ ትግራይ ብቐጻሊ ብኣልማሚት ደብዳብ ነፈርቲ ንምክያድ መመኽነይታ ይፈጥሩ ኣለዉ\" ክብል ዝኸስስ ኰይኑ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ተረዲኡ እጃሙ ክፍፅም ይሓትት። “እቲ ዕላማ፡ ናይ ትግራይ ዓርሰ-ምክልኻል ደጋዊ ውጥን ኣምሲልካ ብምቕራብ ንሃለዋት ዝግበር ቃልሲ ከምዘይዀነ ንምርኣይ እዩ” ይብል። እቲ ክሳብ ሕዚ ሃዲኡ ዝጸንሐ ተጻብኦታት ከምዝፈረሰን፡ ውግእ ከምዝተጀመረን ክልቲኦም ወገናት ኣረጋጊጾም ኣለዉ። ንሓያለ ኣዋርሕ ጸኒዑ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት፡ ናብ ዘተን ሰላምን ከምርሕ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ እዋን'ዩ፡ ዳግማይ ግጭት ተላዒሉ ዘሎ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c2l5lyjvlvgo"} {"headline":"ሓይልታት ኤርትራ ካብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ክወጽኡ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣውሮጳን ሓቲቶም","content":"ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣውሮጳን፡ ሓይልታት ኤርትራ ካብ'ቲ ምስ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዘካይድሉ ዘለዉ ሓበራዊ መጥቃዕቲ ጠጠው ኣቢሎም ካብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ክወጽኡ ሓቲቶም። ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉተረዝ፡ “ኵነታት ኢትዮጵያ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ” ብምባል ተጻባእቲ ሓይልታት ብቕልጡፍ ናብ ሰላማዊ ዘተ ክምለሱ ጸዊዑ። ኣንቶንዮ ጉተረዝ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ሰላማውያን ሰባት ከቢድ ዋጋ ይኸፍሉ ኣለዉ፤ ጐንጽን ዕንወትን ኣብ ዘሻቕል ደረጃ በጺሑ ኣሎ። ማሕበራዊ ምትእስሳር ይበታተኽ ኣሎ፡” ኢሉ። “ኣብ መንበሪ ሰላማውያን ሓዊሱ ዝፍጸሙ ዘለዉ ዒላማ ዘይፈለዩ መጥቃዕቲታት፡ መዓልታዊ ብዙሓት ሰላማውያን ይቐትሉ፣ ወሰንቲ ትሕተ ቅርጽታት የዕንዉን ተበጻሕነት ኣድለይቲ ኣገልግሎታት ይድርቱን ኣለዉ፡ “ ክብል እውን ወሲኹ። ሕብረት ኤውሮጳ ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ዝጀመሮ ሓባራዊ መጥቃዕቲ ብቕልጡፍ ደው ክብል፤ ሰራዊት ኤርትራ ድማ ካብ ልኡላዊ መሬት ኢትዮጵያ ሙሉእ ብሙሉእ ክስሕብ ጸዊዑ። \"ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝነብረሉ ከባቢታት ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ደብዳብ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ንሰላማውያን ሰባት ንዝለዓለ ሓደጋ የቃልዖም ኣሎ\" ክብል'ውን ከሲሱ። እቲ ሕብረት ወሲኹ፡ ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም ካብ ዝኾነ ተወሳኺ ወተሃደራዊ ስርሒታት ክቑጠቡ ተላብዩ። ሕብረት ኣፍሪቃን ኣሜሪካን ሓዊሱ ካልኦት ዓለም ለኸ ትካላትን ሃገራትን'ውን ተጻባእቲ ሓይልታት ብቕልጡፍ ነቲ ተጋዲዱ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ደው ከብሉ ሓቲቶም ኣለዉ። ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ\/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከተማታት ብኣልማማ ይድብድቡ ከምዘለዉን ሰባት ንሞትን መጕዳእትን ከምዝተቓልዑን ምግላጹ ዝዝከር እዩ። ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ነቲ ኣብ መንጐ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ወተሃደራዊ ፍታሕ ከምዘይብሉ እዩ ዝገልጽ። ንሱ፡ እቶም ኣብ ጐድኒ ሓይልታት ኢትዮጵያ ተሰሊፎም ዝዋግኡ ዘለዉ ወተሃደራት ኤርትራ እውን ብቕልጡፍ ካብታ ሃገር ክወጹ ጸዊዑ ኣሎ። ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ቀጺሉ ዝነበረ ምቍራጽ ተጻብኦ ኣብ ነሓሰ ምፍራሱ ድሕሪ ምፍራሱ፡ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ኢሉ ኣሎ። ኣብ ከተማ መቐለን፡ ካልኦት ብዙሓት ከተማታትን ቀረብ ምግብን መድሃኒትን ይውዳእ ከምዘሎ  ነበርቲ ቅድሚ መዓልቲታት ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም። እቲ ኲናት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ይቕጽል ከምዘሎ ዝግለጽ ዘሎ ኰይኑ፡ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ትማሊ ንርእሰ ከተማ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ዝዀነት ሽረ እንዳስላሰ ከምዝተቘጻጸርዋ፡ ሓይልታት ትግራይ ገሊጾም ኣለዉ። ሓይልታት ትግራይ ካብ ዝሓዝዎ ከተማታት እንተተደፊኦም ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲታት ከይፍጸም ስግኣት ከምዘለዎም ገለ ዲፕሎማሰኛታት ይገልጹ ኣለዉ። ትማሊ ኣብ ትግራይ ዘለዋ መዕርፎ ነፈርቲን ካልኦት ትካላትን ፌደራል ናይ ምቍጽጻር ድልየት ከምዘለዎ ዝገለጸ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ድሕነት ሰላማውያን ከምዘውሕስ ገሊጹ። ኣብታ ንኣስታት ዓመትን ፈረቓን ኣብ ዕጽዋ ዘላ ትግራይ፡ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢሙ ከምዘሎን ማእከላት ጥዕና ብሰንኪ ዋሕዲ ቀረብን መሳርሕን ኣገልግሎት ናብ ዘይህባሉ ብርኪ ምብጽሐንን ጸብጻባት የመልክቱ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c6pj655r9xeo"} {"headline":"ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ሊብያ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ቅትለት ስደተኛታት ኮኒኑ","content":"ኣብ ሊብያ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ቅትለት 15 ስደተኛታት መርኣያ ስእነት ውሕስነትን ሓለዋን ሓተትቲ ዑቕባ'ዩ ክብል ሕቡራት ሃገራት ነቒፉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ 11 ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኣብታ ሰሜን ካብ ርእሰከተማ ትሪፓሊ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ሳብራታ ኣብ ሓንቲ ዝተቓጸለት ጃልባ ተቐቲሎም ተረኺቦም። ዝቖሰለ ሬሳታት ናይ ካልኦት ኣርባዕተ ድማ ካብታ ዝሓረረት ጃልባ ወጻኢ ተረኺቡ። \"ዋላ'ኳ ኩነታት [ኣማውትኦም] ብንጹር እንተዘይተረጋገጸ፡ እቲ ቅትለት ኣብ መንጎ ተቐናቐንቲ ዕጡቓት ኣሰጋገርቲ ሰባት ብዝተፈጥረ ግጭት ዝሰዓበ'ዩ\" ክብል ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ገሊጹ። ሰብመዚ ሊብያ ብቕልጡፍ ዘይሻራዊን ግሉጽን መርመራ ከምዝካየድ ብምግባር ንፈጸምቱ ናብ ፍርዲ ከቕርቡ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ'ሎ። እቲ \"ዘስካሕክሕ\" ክብል ዝገለጾ መጥቃዕቲ \"መርኣያ ስእነት ሓለዋ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኣብ ሊብያ እዩ\" ክብል ነቒፉ። ኣብታ ሃገር ዘለዉ ንስደተኛታት ግዳያት ዝገብሩ ሓያላት ኣሰጋገርትን መርበባት ገበንን \"ብህጹጽ ክግትኡን ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ኣለዎም\" ድማ ኢሉ። እታ ንልዕሊ 10 ዓመታት ብኲናት ሓድሕድ ክትሕመስ ዝጸሐት ሊብያ፡ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ናብ ኣውሮጳ ዝሰግሩላ ሃገር እያ። ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት ድማ፡ ብዙሓት ስደተኛታት ግዳያት ጭውያ ኣሰጋገርቲ ከምዝኾኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳጎኒታት'ውን ኣብ ኢድ ሰብመዚ ጸጥታ ጭውያን ቅትለትን ከምዘጋጠሞም ይግለጽ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ንመበል 9ይ ዓመት ህልቂት ላምፐዱሳ ዘኪሮሞ ምውዓሎም ይፍለጥ። ብ3 ጥቅምቲ 2013፡ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝኾኑ ልዕሊ 350 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ላምፐዱሳ ምጥሓሎም ይዝከር።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cz5v3g1j254o"} {"headline":"መራሒ ትግራይ፡ ኲናት ደው ንምባል ባይቶ ፀጥታ 'ብሓይሊ ጣልቃ ክኣቱ' ሓቲቱ","content":"መራሒ ትግራይ፡ ዶ\/ር ደብረፅዮን ገ\/ሚካኤል፡ እቲ ተኸፊቱና ዝበሎ 'ሓድሽ ሰፊሕ መጥቃዕቲ' ደው ንምባል ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት \"ጣልቃ ክኣቱ\" ሓቲቱ። ዶ\/ር ደብረጽዮን፡ ኣብቲ ናብ ጊዝያዊ ፕረዚደንት ባይቶ ጸጥታን ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተወሃሃደን ሰፊሕን መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ከምዝኸፈቱ ከሲሱ። ደብረጽዮን ኣብ ደብዳቤኡ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብሓይሊ ጣልቃ ኣትዩ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ እንተዘይስሒቡን እቲ መጥቃዕቲ ደው እንተዘይኣቢልዎን፡ \"ህዝቢ ትግራይ በዞም ክልተ ጨካናት ሰራዊታት ክበርስ'ዩ\" ክብል ዘለዎ ሻቕሎት ገሊጹ። ብህጹጽ፡ ኣብቲ ክልል መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱን፡ ገደብ-ኣልቦ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቲ ክልል ክውሕዝን'ውን ሓቲቱ። ደብረፅዮን ገ\/ሚካኤል፡ ናብ ሕቡራት ሃገራት ደብዳበ ክፅሕፍ እዚ ፈለማዩ ኣይኮነን። ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓድሽ ዝተዋደደ መጥቃዕቲ ንምጅማር፡ ይዳለዉ ከምዝነበሩ ዝገልጽ ደብዳበ ጽሒፉ ነይሩ። እቶም ክልተ ተጻባእቲ ሓይልታት፡ ሰብኣዊ ተጻብኦ ደው ምባል ኣካይዶም፡ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ህድኣት ዓሲሉ ድሕሪ ምጽንሑ'ዩ ሕዚ ዳግማይ ውግእ ተጀሚሩ ዘሎ። መን'ዩ ነዚ ናይ ሕጂ ውግእ ጀሚርዎ ኣብ ዝብል ግን ንሕድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም ኣለዉ። እዚ ኩናት ንሳልሳይ ዙር ምስተጀመረ፡ ብኣንፈት ደቡብ፣ ምዕራብን ሰሜንን ትግራይ ከቢድ ውግእ ይካየድ ከምዘሎ ይግለፅ። ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ፡ ማይክ ሃመር፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሮ ጻኒሒት ድሕሪ ምዝዛሙ መራሕቲ ትግራይ ነቲ ደብዳበ ጽሒፎም ዘለዉ ። ሓደ ሓላፊ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ከመዝበሎ፡ ማይክ ሃመር ትማሊ ምስ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕንነት ቀዳማይ ሚኒስትርን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮነንን ተዘራሪቡ ነይሩ። ተመሳሳሊ መልእኽቲ ናብ መራሒ ትግራይ ኣመሓላሊፉ ምንባሩ'ውን እቲ ኣመሪካዊ ብዓል ስልጣን ሓቢሩ። ዶ\/ር ደብረጽዮን፡ ኣብዚ ናብ ሕቡራት ሃገራት ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ደቡብ ግንባር (ቆቦ)፡ ግንባር ደቡብ ምዕራብ (ሰቖጣ)ን ምዕራባዊ ግንባርን ሰፊሕ ሰራዊት ከምዘዋፈረን፡ ኲናት ይካየድ ከምዘሎን ኣረጋጊጹ ኣሎ። \"እቲ መስርሕ ሰላም ፈሪሱ ኣሎ\" ዝበለ ደብረፅዮን፡ እዚ ዳግማይ ዝተወልዐ ኩናት፡ 'ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ካብ'ቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ ንላዕሊ ጨፍጨፍ ከስዕብ እዩ' ክብል ኣጠንቂቑ። ንሱ፡ እቲ ጎንጺ ብፃዕሪ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ዘላቒ ሰላም ንምምጻእ፡ ብክኢላታት ዝድገፍ ዓለምለኻዊ ጉጅለ ሽማግለ ክሽየም ሓቲቱ። \" ኣብ ወከልቲ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ዘለና መርገፂ ብንፁር ኣፍሊጥና ኢና\" ዝበለ እቲ መራሒ ክልል ትግራይ፡ ብሕቡራት ሃገራትን ብሓይልታት ትግራይን ተቐባልነት ዘለዎም ኣባለት ጉጅለ ክስየሙ ጠሊቡ። ደብረፅዮን፡ ብተወሳኺ ጥቡቕ ክትትል ዝግበረሉ መስርሕ ሰላም፣ ገበነኛታት ተሓተትቲ ዝኾኑሉን ናይ ግዜ ሰሌዳ ክህልዎምን፡ ኣብ መትከል ዝተመስረተ ስምምዕ ክብጻሕ ከምዘለዎ'ውን ሓቢሩ። እዚ ኲናት ብሰላማዊ ዘተ መዕለቢ ምእንቲ ክረክብ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት ዓለምለኻውያን ትካላትን ጻዕሪ ክገብሩ ምጽንሖም ዝዝከር እዩ። ክልቲኦም ወገናት፡ ንዘተ ድሉዋት ምዃኖምን፡ በብወገኖም ተዛተይቲ ኮሚተ ምቛሞምን ምግላጾም ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ዳግማይ ምጅማር እዚ ናይ ሕዚ ኲናት ግን፡ ንመስርሕ ዘተ ሰላም ኣብ ሓደጋ ኣውዲቕዎ’ሎ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cj73z7n2z72o"} {"headline":"ዘይሻራውያን መርመርቲ ሰብኣዊ መሰላት ናብ ትግራይ ክኣትዉ ኣለዎም - ኣሜሪካ","content":"ጸሓፊ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ: ነፃ መርመርቲ ሰብኣዊ መሰላት ናብ ትግራይ ክኣትዉ ከም ዝግባእ ገሊጹ። ኣንቶኒ ብሊንከን ትማሊ 22 ታሕሳስ 2022 ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሃገሩ ዘይሻራውያን መርመርቲ ሰብኣዊ መሰላት ናብ ትግራይ ምእታዎም ዝያዳ ትኹረት ከም እትህቦ ሓቢሩ። እቶም መርመርቲ ናብቲ ክልል ዝኣትዉ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እንተሃልዩ እንተዘይሃልዩን ንምርግጋፅ ከም ዝኾነ’ውን ወሲኹ ገሊጹ። ምምሕዳር ባይደን ንሰብኣዊ መሰላት ማእከል ናይ ወጻኢ ፖሊሲኡ ንምግባር ቃል ኣትዩ ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ብሊንከን፡ ኣሜሪካ ኣብ ትግራይ ንዝተፈፀሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተሓታትነት ንምርግጋፅ ትሰርሕ ከም ዘላ ይገልጽ። እቲ ላዕለዋይ ኣመሪካዊ ብዓል ስልጣን ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣሜሪካ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘለዋ ጸቕጥን ጽልዋን ተጠቒማ ብመንጽር ምሕደራ ሰብኣዊ መሰላት ክንደይ ዝኣክል ለውጢ ከም ኣመዝጊባ ዝብል ካብ ጋዜጠኛ ንዝቐረበሉ ሕቶ ምላሽ ኣብ ዝሃበሉ እዋን እዩ። ንሱ፡ ኣብ ኲናት የመን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ዝነበረ ግህሰት ምንካይ ከም ዝተኸኣለ ብምጥቃስ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም እውን ነዚ ሰብኣዊ ግህሰት ደው ንምባል ዝዓለመ ምዃኑ ተዛሪቡ። ኣሜሪካ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ክካየድ ዝጸንሐ ደማዊ ኲናት ደው ክብል ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሓይልታት ዝተገበረ ዘተ ሰላም ከም ዝደገፈትን በዚ ድማ ኣብ ስምምዕ ሰላም ከም ዝተበጽሐን ብሊንከን ኣመልኪቱ። ኢትዮጵያ፡ ናብ ረብሓ ነፃ ቀረፅ ንግዲ (AGOA) ንክትምለስ፡ ነቲ ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ዝተፈፀመ ግህሰታት ዘጻሪ ጉጅለ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ፍቓድ ከም ትህብ ተሓቢሩ’ዩ። እቲ ጕጅለ ክኢላታት ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ መርመራ ምግብሩ ከም ቅድመኵነት ከም ዝተቐመጠ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ምሕባሩ ጸብጻብ ናይቲ ብእንግሊዝኛ ዝሕተም ኢትዮጵያዊ ጋዜጣ ሪፖርተር የመልክት። መርመርቲ ኣብ ክልል ትግራይ ኲናት ናብ ዝተፈፀመሎም ከባቢታት ክኸዱ ከም ዘይተፈቐደሎም እቲ ኮሚሽን ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ኢትዮጵያ ኣህጉራዊ መርማሪ ንምቛም ዝተወሰነ ውሳነን ዕድመ እቲ ኮሚሽን ምንዋሕን ክትቃወም ከም ዝጸንሐት ይዝከር። ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ከም መሳርሒ ፕሮፖጋንዳ ንፖለቲካዊ ዕላማታት ይውዕል ኣሎ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ጣልቃ ምእታው እዩ ክትብል ዝኸሰሰት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ምንዋሕ ናይቲ ኮሚሽን ክቋረጽ ከም ዝሓተተት ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ሓቢረን። ቅድሚ ሒደት መዓልቲ፡ እቲ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ዝተፈጸሙ ግህሰታት ዝምርምር ጕጅለ ክኢላታት ሓድሽ ኣቦ መንበር ምምራጹ ኣፍሊጡ ነይሩ። እቲ ቤት ምኽሪ ብ12 ታሕሳስ 2015 [ግእዝ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ታንዛንያዊ መሓመድ ቻንደ ዑስማን ሓድሽ ኣቦ መንበር ኰይኑ ከም ዝተመዘዘ ሓቢሩ። እቲ ሓድሽ ኣቦ መንበር ዝተመዘዘ፡ እታ ነቲ ኮሚሽን እትመርሕ ዝነበረት ኬንያዊት ካሪ ቤቲ ሙሪንጊ ካብ ስልጣና ድሕሪ ምውራዳ ከም ዝዀነ’ውን ኣፍሊጡ። እቲ 19 ገጽ ዝሓዘ ጸብጻብ ናይቲ ኮሚሽን፡ ኣብቲ ንክልተዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት፡ ዓመጽ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ​​ጃምላዊ ቅትለትን ጥምየት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ከም ኣጽዋር ምጥቃምን ከም ዝተፈጸመ መርትዖታት ከም ዘሎን ኣቃሊዑ’ዩ። እቲ ኮሚሽን እዞም ጥሕሰታት ገበናት ኲናት ከምኡ’ውን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ምዃኖም ከም ዝኣምን'ውን ሓቢሩ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cjjn3vqywdjo"} {"headline":"ቻይና ኣብ ዢንጃን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ፈጺማ ክትኸውን ትኽእል'ያ- ሕቡራት ሃገራት","content":"ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቻይና ኣብ ግዝኣት ዢንጃን “ከበድቲ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት” ፈጺማ ክብል ንነዊሕ ግዜ ትጽቢት ዝተገብረሉ ጸብጻብ ወግዓዊ ገይሩ። ቻይና፡ እቲ ጸብጻብ ብሃገራት ምዕራብ ዝተዳለወ “ላግጺ” እዩ ብምባል እቲ ትካል ነቲ ጸብጻብ ከየውጽእ ክትምጉት ጸኒሓ እያ። እቲ ጸብጻብ ኣብ ልዕሊ ኣስላም ዊገርን ካልኦት ውሑዳን ዓሌታትን ከምዝተፈጸመ ንዝግለጽ፡ ቻይና ግና እትነጽጎ ግህሰት እዩ ፈቲሹ። መርመርቲ ግን፡ “ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት” ክዀኑ ዝኽእሉ “እሙናት መረዳእታታት” ስቅያት ረኺብና ኢና ይብሉ። እታ ሃገር፡ መሰል ውሑዳን ብሄራት ንምጭፍላቕን “ምልካዊ ስርዓት ማእሰርቲ” ንምዝርጋሕን ግልጺ ዘይኰኑ ሕግታት ሃገራዊ ድሕነት ትጥቀም ኣላ ይብሉ። እቲ ቤት ጽሕፈት ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዘካየዶ መርመራ፡ እቶም እሱራት ግዳያት “ጾታውን ጾታ መሰረት ዝገበረን መጥቃዕቲ” ሓዊሱ “ንሕማቕ ኣተሓሕዛ” ተቓሊዖም እዮም ክብል ይገልጽ። ካልኦት፡ ግዱድ ሕክምናን “ኣድልዎኣዊ ተግባራት ምጣነ ስድራን ፖሊሲታት መቆጻጸሪ ወሊድን” በጺሑዎም። ሕቡራት ሃገራት፡ ቻይና እቶም “ብሃበ ተረኽበ ናጽነቶም ዝተመንዝዑ ውልቀሰባት” ንምፍታሕ ስጉምቲ ክትወስድ ክጽውዕ እንከሎ፡ ገሊኦም ቤጂንግ ዝወሰደቶም ስጉምታት “ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ሓዊሱ ዓለምለኻዊ ገበናት ዝርከቦም” ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም ኢሉ። ይኹን’ምበር፡ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት’ዮም ኣብ መሓዩር ዝርከቡ ዝብል ብወግዒ ክፈልጥ ከም ዘይክኣለ እቲ ትካል ገሊጹ። ጉጅለታት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግን፡ ኣብ ሰሜን-ምዕራብ ቻይና ግዝኣት ዢንጃን ኣብ ዝርከቡ መዳጐኒ ማእከላት ልዕሊ ትሸዓተ ሚሊዮን ሰባት ተኣሲሮም ይብሉ። ንኣስታት 60 ትካላት ዝውክል ዓለምለኻዊ ኮንግረስ ዊገር፡ ነቲ ጸብጻብ ከም ዝተቐበሎ ብምሕባር ቅልጡፍ ዓለምለኻዊ ምላሽ ክወሃብ ሓቲቱ። ኣብ ዢንጃን፡ መብዛሕትኦም ኣስላም ዝዀኑ ኣስታት 12 ሚሊዮን ዊገር ኣለው። ሕቡራት ሃገራት፡ ኣስላም ዘይኰኑ’ውን በቲ ኩነታት ተጸልዮም እዮም ክብል ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ። ብዙሓት ሃገራት፡ ተግባራት ቻይና ጃምላዊ ጨፍጫፍ ክብላ ይገልጽኦ። ነቲ ጸብጻብ ኣቐዲማ ዝርኣየቶ ቻይና ግን፡ ነቶም ክስታት ግህሰት ብምንጻግ እቶም ማእከላት \"ግብረ ራዕዲ ዝከላኸሎም\" እዮም ኢላ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/clknv72k9eno"} {"headline":"ኣመሪካ፡ ኣብ ጉዳይ ኲናት ኢትዮጵያ ስጉምቲ ክትወስድ ድልውቲ እያ’: ሊንዳ ቶማስ-ግሪንፊልድ","content":"ትማሊ 21 ጥቅምቲ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ትሕቲ “ሰላምን ድሕንነትን ኣብ ኣፍሪካ” ዝብል ኣጀንዳ ንኹነታት ኢትዮጵያ ዝምልከት፡ ኣኼባ ኣካይዱ። ነዚ ዕጸው ኣኼባ ስዒቡ፡ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ሊንዳ ቶማስ-ግሪንፊልድ፡ ብዛዕባ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣመልኪታ መግለጺ ሂባ። “እቲ ቤት ምኽሪ መግለጺ ኣብ ምውጻእ ዘይምስምማዑ ተስፋ ዘቕብጽ’ዩ፡ በዚ ምኽንያት’ዚ’ዩ ድማ ሎሚ ኣብዚ ክወጽእ ኣገዳሲ ዝኾነኒ” ኢላ እታ ኣምባሳደር። እቲ ኣኼባ ብኣባላት ቤት ምኽሪ ሃገራት ኣፍሪቃ (A3- ጋቦን፣ ጋናን ኬንያን) ኣብ 17 ጥቅምቲ ዝተሓተተ'ዩ። ኩሎም ወገናት ኣጽዋሮም ኣንቢሮም ናብ ሰላም ዝምለሱሉ ሰዓት ከምዝኣኸለ፡ ንባይቶ ጸጥታ ምግላጻ ዘመልከተት እታ ኣምባሳደር፡ ሓበራዊ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ደው ከብል አተሓሳሲባ። ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንኽወጹ ክትሓትት ከምዝጸንሐት ድማ ተዛሪባ። “ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ እቶም'ዚ ጎንጺ ኸይፍታሕ ዝዕንቅፉ ሰባት ግቡእ ስጉምቲ ክትወስድ ድልውቲ እያ። እቶም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፍጽሙ ድማ ተሓተትቲ ንኽኾኑ ቆሪጽና ኣለና” ኢላ። እታ ኣምባሰደር ወሲኻ፡ ኣሜሪካ ንጻዕሪ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምድጋፍ ምሉእ ብምሉእን ብንጥፈትን ተዋፊራ ከምዘላ ሓቢራ። ንኲናት ትግራይ ወተሃደራዊ ፍታሕ ከምዘይብሉ ዝገለጸት ኣምባሳደር ሊንዳ ቶማስ-ግሪንፊልድ “እቲ ዞባ ዝያዳ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ከይኾን ክንከላኸል ኣለና። ዝባኽን ግዜ የለን” ኢላ። ኣብቲ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት፡ ክሳብ ፍርቂ ሚልዮን ዝበጽሕ ሰባት ከምዝሞቱን፡ ኣሜሪካ ተወሳኺ ጃምላዊ ግፍዕታት ከየጋጥም ኣዝያ ከምዝተሻቐለትን ወሲኻ ገሊጻ። ኣሜሪካ፡ መንግስታት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ኣብቲ ዘተ ሰላም ከምዝሳተፉ ቃል ምእታውም ዝሕብር ብኮሚሽን ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተዋህበ መግለጺ ከምእትድግፍ'ውን ትማሊ ብቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣቢሉ ዝወጽአ መግለጺ የመልክት። መራሕቲ ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ መጻኢ ሰኑይ 14 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም (ግእዝ) ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ዘተ ሰላም ከምዝሳተፉ ድልውነቶም ገሊፆም ኣለው። “ደቡብ ኣፍሪቃ ነዚ ዘተ ንምእንጋድ ስለ ዝተሰማመዐት ነመስግን። ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ከምኡ’ውን ኣባላት ፓነል ሕብረት ኣፍሪቃና ፑምዚለ ማላምቦ ንግቹካን ኡሁሩ ኬንያታን ኣብ ስምምዕ ሰላም ንምብጻሕ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ንድግፍ ኢና” ይብል እቲ መግለጺ። እቲ መግለጺ ወሲኹ'ውን፡ \"ከምቲ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ዝበሎ፡ ኣባላት ፓነል ሕብረት ኣፍሪቃ ዝበጽሕ ስምምዕ ሰላም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ከብሎ'ዩ\" ኢሉ። ንኹሎም ዜጋታት ድማ ህድኣት ከምጽእ’ዩ\" ይብል። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ \"ኵነታት ኢትዮጵያ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ይኸውን ኣሎ\" ብምባል እቲ ኲናት ብቕልጡፍ ደው ክብል ጸዊዑ። ብተወሳኺ፡ \"ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ ክወጽእ\" ጸዊዑ። ሕብረት ኣውሮጳ ተመሳሳሊ ጻውዒት ከም ዘቕረበ ኰይኑ፡ ሓይልታት ትግራይ እውን ካብ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ክቝጠብ ኣተሓሳሲቡ። እቲ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ካልኣይ ዓመቱ ተቓሪቡ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ፡ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ወሲዱ፡ ንሚልዮናት ግዳያት ጥሜት ምምዝባልን ዝተፈላለዩ ኣስካሕካሕቲ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ዘቃለዐ ዀይኑ፡ ዛጊድ ሰላማዊ ዕልባት ኣይተረኽቦን።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4nrznrn5xgo"} {"headline":"መርማሪ ኮሚሽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ናይ ስራሕ ግዜኡ ተናዊሑ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ዘይሻራዊ ኣይኮነን’ ኢሉ ተቓውሞኡ ዘስመዐሉ፡ መርማሪ ኮሚሽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ንመጻኢ ሓደ ዓመት ስርሑ ክቕጽል ስልጣኑ ተናዊሑ። ኣባላት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ዓርቢ 27 መስከረም 2015 ዓ.ም [ግእዝ] ኣብ ጀነቫ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፡ እቲ ኮሚሽን ነቲ ዝጀመሮ ገበናት ናይ ምጽራይ ስራሕቱ ክቕጽል ብድምጺ ብልጫ ወሲኖም። ኢትዮጵያ፡ እቲ መርማ ኮሚሽን ካብ ዝምስረት ኣትሒዛ ተቓውሞኣ ክተስምዕ ዝጸንሐት ኰይና፡ ብፍላይ ባጀት ከይምደበሉ ዝገበረቶ ጎስጓስ ከምዘይሰመረ ይዝከር። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ሰለስተ ኣባላት ዝሓቖፈ ጉጅለ፡ ምስ’ቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ትግራይ ብዝተኣሳሰር ዝተፈጸሙ ገበናት ኣመልኪቱ፡ ፈላማይ ጸብጻቡ ድሕሪ ምቕራቡ ድማ ተቓውሞኡ ኣስሚዑ። መርማሪ ኮሚሽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ስርሑ ክቕጽል ዝሓትት ውሳነ፡ ቸክ ሪፓብሊክ ብስም ሕብረት ኣውሮጳ ዝቐረበ ኮይኑ፡ ብጸቢብ ፍልልይ እዩ ጸዲቑ። ካብተን ኣርብዓን ሸውዓተን ኣባል ሃገራት፡ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ እተን 21፡ ንቐጻልነት ስራሕ ናይቲ መርማሪ ጉጅለ ዝደገፋ ኾይነን፡ እተን 19 ድማ ተቓዊመን። ኩለን ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ዝኾና ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ ውሳነ ተቓዊመንኦ። ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ ነቲ ውሳነ ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተር ገጹ ከም ዘስፈሮ፡ \"ነዚ ፖለቲካዊ ተልእኾ ዘለዎ ኮሚሽን ስርሑ ንክቕጽል፡ ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር’ኳ ዝደገፈት የላን\" ኢሉ። መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ ንዝተፈጸሙ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፡ ብቐንዱ መንግስቲ ኢትዮጲያ ተሓታቲ ምዃኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ገሊጹ ነይሩ። እሙን ንዝበሎ ምንጪ ሓበሬታ ምርኩስ ዝገበረ ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ከም ዘመልክቶ፡ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጲያ ንኣባጽሕ ደቂ ተባዕትዮ ተጋሩ ዒላማ ዝገበረ መጠነ ሰፊሕ ቅትለት ፈጺሞም ኣለው ይብል። እቲ መርመሪ ጕጅለ ፡ ጥሜትን ጾታዊ ዓመጽን ከም መሳርሒ ኲናት የገልግል ምህላው መርትዖ ከም ዘለዎ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣስፊሩ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ ነቲ ብኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝወጽአ ጸብጻብ ነጺግዎ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ዝወጽአ ጸብጻብ “ህዉኽ፡ ደረጅኡ ዘይሓለወን ናቱ ኣጀንዳ ዘለዎን’ዩ” ብምባል ከምዝነጸጎ ይዝከር። ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ክልተ ዓመት ዝመልኦ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ፡ ኲናት ትግራይ፡ ብኹሎም ዝተሳተፉ ወገናት ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ቅትለትን ከምዝተፈጸመ ብዝተፈላለዩ ተጣበቕቲ መሰላት ክግለጽ ጸኒሑ እዩ። ነዚ ብዝምልከት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ዝሓለፈ ዓመት ሰፊሕ ፀብፃብ ኣውፂኦም ነይሮም። \\nእቲ መርማሪ ኮሚሽን፡ ብቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ስልጣኑ ክሳብ ታሕሳስ 2016 ዓ.ም [ግእዝ] እዩ ተናዊሑ ዘሎ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ckd5vp5dgevo"} {"headline":"ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለምዋጭ ኵነታቶም ከም ዘይተመሓየሸ ይገልጹ፣ ሕቡራት ሃገራት ከ እንታይ ይብል?","content":"ኣብ ኢትዮጲያ ክልል ኣምሓራ፡ ዳባት ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ዝተደኰነ መዓስከር ኣለምዋጭ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ዝናብ ክራማት ብዘስዓቦ ኵነታት፡ ኵነታቶም መሊሱ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከም ዝወረደ ገሊጾም። ኣቦ መንበር ንስደተኛታት ዝሕግዝ ትካል ‘ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ’ ዝዀነ ኣቶ ሃብተኣብ እዮብን ኣብቲ መዓስከር ሻድሻይ ርእሳ እትነብር ዮዲት ዝተባህለት ኤርትራዊት ስደተኛን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበርዎ ቃለመጠይቕ፡ ኣብዚ ወርሒ ክዘንብ ዝጀምረ ዝናብ ክራማት ተወሲኽዎ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ስቓይን ብዅሉ ሸነኻቱ ዘይምቹእ መነባብሮን ወዲቘም ከምዘለው ይገልጹ። ዮዲት፡ “እቲ ቦታ ጀቕጀቕ ጨፈቃ፡ ጭፍን ዝበለ ግመን ጭው ዝበለ በረኻን ስለዝዀነ፡ ንድሕነትካ’ውን ኣስጋኢ’ዩ፤ ብቐሊሉ ክትንቀሳቐስ ኣይትኽእልን፡” ትብል። እንተዀነ፡ ነዚ ባህሪያዊ ኵነታት ይዅን ቀረብ፡ መግቢ፡ ሕክምናን ውሕስነት ጸጥታን ንምምሕያሽ ብዝምልከቶም ኣካላት መንግስትን ኮሚሽን ጕዳይ ስደተኛታትን ዛጊት ዝተገብረ ኣድማዒ ስጕምቲ ከም ዘየለ ኸኣ ይገልጹ። ነዚ ስምዕታ ምርኵስ ብምግባር ቢቢሲ ትግርኛ ንኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተወኪስዎ’ሎ። እቲ ኮሚሽን፡ ነዚ ዝምልከት ስጕምትታ ከም ዝተወስደን ይውሰድ ከም ዘሎን ብምግላጽ፡ ቀረብ መግቢ ዝሓጸረሉ ምኽንያታት ጠቒሱ ንምምሕያሹ፡ ንባዕሉ’ቲ ኮሚሽን ምወላ ይጽበ ከምዘሎ፣ ኣገልግሎት ጥዕናን ጸጥታን ንምምሕያሽ’ውን ኣብ ርእሲ’ቲ ክግበር ዝጸንሐ ስጕምቲ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጲያ ምዝርራብ ይግበረሉ ከም ዘሎ መብርሂ ሂቡ’ሎ። “ኣመጻጽኣና ከቢድ እዩ። ቅድሚኡ፡ ቅድሚ’ቲ ኲናት’ውን ብሰንኪ ኮሮና ናብራና ከቢዱ እዩ ጸኒሑ፡” ትብል - ዮዲት። ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ብዝተፈጥረ ኵነታት፡ ኣዝዩ ብዙሕ ሽግር ኣሕሊፎም ካብ መዓስከራት ትግራይ ሃዲሞም ኣብ ኣለምዋጭ ዝበጽሑ ስደተኛታት፡ ኣብኡ ድማ ዝኸፍአ ነገራት የጋጥሞም ከም ዘሎ ዮዲት፡ በቲ ዝወርዶም ኵነታት ኣምሪራ ትዛረብ። ንሳቶም ከም ዝገልጽዎ፡ ድሕሪ ኲናት፡ ካብ መዓስከራት ትግራይ ሃዲሞም ናብ ኣለምዋጭ ንምብጻሕ፡ እቲ ንደላሎን ኣስገርትን ዝሕተት ክፍሊት ዘይተኣደነ እዩ። “ብዙሓት ክዳኖም ሸይጦም ዝመጽኡ፡ ኣብ መገዲ ዛሕዛሕ ዝበለ ሬሳ፡ ምርሻን፡ ዝምታ፡ ዓመጽ ሰጊሮም\" ከምዝኣተው ይገልጹ። \"ብሰንኪ ጥሜት፡ ድኻም፡ ሞት፡ ሃለዋቶም ዝጠፍአን ብዙሕ’ዩ፡” ብምባል እቲ ጕዕዞ ኣሰቃቒ ምዃኑ ኣቶ ሃብተኣብ ይገልጽ። እቶም ኣብቲ ከባቢ ዳባት ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተደኰነ መዓስከር ዝነብሩ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ልዕሊ 10 ሽሕ ከም ዝዀኑ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብቲ ቦታ እናተመላለሰ ሓገዛት ዝገብር ኣቶ ሃብተኣብ፡ ካብ ማሕበር ‘ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ'፡ ብመሰረቱ እቲ መዓስከር ኣብ ዘይምቹእ ቦታ ሕርሻ ዝተደኰነ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ እቲ ቴንዳታት’ውን ከቢድ ዝናብን ንፋስን ክጸውር ከም ዘይክእል ብምግላጽ፡ “ኣብቲ ጭቃ ዝኣተወ እንስሳ፡ እግሩ ተቘሪጹ እዩ ዝወጽእ፡” ብምባል ንኣሸጋሪ ክሊማዊ ኵነታት’ቲ ከባቢ ይገልጽ። “ብፍላይ ህጻናት ከቢድ ስቓይ የሕልፉ ኣለው፣ ኣብ ከቢድ ኣሰካፊ ኵነታት ዓጸቦ እዮም ዘለው፡” ኢሉ ትዕዝብቱ ይገልጽ። ዮዲት ብወገና “ካብ ዓድና ዝተሰደድና ‘ኮ ደቅና ዝሓሸ መጻኢ ንኽህልዎም እዩ፡” ብምባል ኣብ ትግራይ ኲናት፡ ኣብ ኣለምዋጭ ድማ ዝኸፍአ ናብራ ከም ዝተጓነፎም፡ ካልእይ ይትረፍ እቶም ክመሃሩ ዕድመኦም ዝኣኸለ’ውን መባእታዊ ዕድል ትምህርቲ ከም ዘይብሎም ብምግላጽ፡ ንመጻኢኦም ከም ትስከፍ ትዛረብ። ዮዲት፡ ኣብቲ መዓስከር ክትኣቱ እንከላ፡ ንዓኣን ንሓሙሽተ ደቃን ዝኸውን መቝነን እኽሊ ሓንሳእ ምስ ተዋህባ፡ ክሳብ ሕጂ መግቢ ከም ዘይተዋህቦም፡ እቶም ኣብኡ ዝጸንሑ’ውን ንዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ መግቢ ከም ዘይረኸቡ ትዛረብ። “ተደጋጊፍና ኢና ንሓልፎ፣ ብዝሒ ኣባላት ስድራ ዘለዎ ቅሩብ ይሓይሽ፡ ናይ ኵሎም ኣጠራቒሙ ይናበር፡” ትብል’ሞ፡ እቶም ንውልቈም ዝነብሩ ግን፡ ፈጺሙ ከምዘይኣኽሎምን ኣመና ከም ዝሽገሩን ተረድእ። ንመሰንከቲ ዝኸውን ዕንጸይቲ ከም ዝወሃቦም ትገልጽ ዮዲት፡ ምስቲ ዘሎ ሕማቕ ኵነታት ኣየር፡ መሰንከቲ ቦታን ንባዕሉ እቲ ዕንጸይቲ’ውን ተርኪሱ ኣጸጋሚ ምዃኑን ትዛረብ። “ኣብቲ መዓስከር ፈጺምካ ኮፍ ክትብል ኣይትኽእል፣ ዓቕልኻ ዘጽብብ እዩ፡” ብምባል ዝበዝሕ ሰብ ዳባት ክውዕል ከም ዝመርጽ ትገልጽ። እንተዀነ፡ “ኣብታ ከተማ በጺሕካ ክትምለስ’ውን ዘይትተኣማመነሉ እዩ። ኣብ መገዲ ትዝመት፡ ትስረቕ፡ ‘ኤርትራዊ ገንዘብ እዩ’ ኢሎም እዮም ዝሓስቡ። ስርቅን ዘይምቕሳንን ግኑን እዩ፣ ገንዘብ ኣለዎ ኢሎም ዝጠርጠርዎ፡ ከቲሮም ይሃርምዎ ይዘምትዎ፡” ብምባል፡ ስደተኛ ግዳይ ስርቂ፡ ክትራን ዓመጽን ከም ዝዀነ’ውን ተረድእ። ኣብቲ መዓስከር ብዅሉ ዅሉ ክነብር ምኽኣል ዝሰኣነ ድማ፡ ተጻጊሙ፡ ካብ ኣዝማዱ ቅሩብ ደገፍ እናረኸበ 500 ብር ከፊሉ ኣብ ዳባት ተኻርዩ ክጸንሕ ዝመረጸ ሓያለ ስደተኛ ከም ዘሎ’ውን ትገልጽ። ብሰንኪ’ዚ፡ ብፍላይ እቶም መንእሰያት ኮፍ ከም ዘይብሉን፡ ብሕቡእ ናብ ከተማ ጐንደር 8 ሽሕ ብር ከፊሎም ከም ዝኸዱ ትገልጽ። “ኣብኡ ምስ በጽሑ፡ ናብ ዝጠዓሞም ይኸዱ፡” ከኣ ትብል። “ገሊኦም ካብኡ ንሱዳን፡ ብሰሃራ ገይሮም ንሊብያ ዝኸዱ ዝበጽሑ፣ ኣብ መገዲ ሕማቕ ዘጋጠሞም ኣለው፡” ይብል ኣቶ ሃብተኣብ። እቶም ስደተኛታት ጕዳዮም ብወከልቶም ኣቢሎም ናብ ዝምልከቶም ኣካላት እዮም ዘቕርቡ። ዮዲት፡ “ትምህርቲ ምስ ተወድአ ብግዚያውነት ናብቲ ኣብ ጥቓና ዘሎ ቤት ትምህርቲ ከነግዕዘኩም ኢና፡” ዝበሃል ዘረባታት ብመገዲ ወከልቶም ከም ዝመጽአ ብምግላጽ፡ ንሓዋሩ ዝኸውን ፍታሕ ግን ዛጊት ከምዘየለ ትዛረብ። ንሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝምልከት ጉዳይ፡ ዝበዝሐ ዓቕሚ ዘለዎ ስደተኛ ናብ ከተማ ከይዱ እዩ ዝሕከም። “ካብ መዓስከር ወጺእካ፡ ናብ ከተማ ዘይኰነስ ናብቲ ኻልእ ኣንፈት ቀዳማይ ረዲኤት ዝወሃበሉ ሕክምና ከም ዘሎ ተነጊሩና፣ ግን ጭው ዝበለ በረኻ እዩ፡ ናብኡ ገጽና ኣይንኸይድን ውሕስነት የብሉን።” ትብል። ኣቶ ሃብተኣብ ብወገኑ፡ እቲ ቦታ ስእነት ጸጥታ ከም ዘለዎ፡ ዕጡቓት ኣብቲ ከባቢ ከም ዝንቀሳቐሱን ይገልጽ። “ብፍላይ ኣብቲ ፈለማ እዋን፡ ዕጡቓት ናብቲ መዓስከር ኣትዮም ዘሚቶም ከይዶም እዮም፡” ብምባል፡ ብድሕሪኡ ሓይልታት መንግስቲ መጺኦም ከረጋግእዎ ፈቲኖም ከም ዝነበሩ ብምግላጽ፡ “እንተዀነ ሕጂ’ውን ጸጥታ ፈጺሙ ዘተኣማምን ኣይኰነን፡ ስርቂ፡ ክትራን ዓመጽ ቀጻሊ ተርእዮ እዩ፡” ይብል። ሃብተኣብ ከም ዝገልጾ፡ ካብ መዓስከር ኣለምዋጭ ወጻኢ፡ ሃይቅ ኣብ ዝተባህለ ቦታ’ውን ብተመሳሳሊ ሰለስተ ሚእቲ ዝዀኑ ካብ ትግራይ ዝተፈናቐሉ፡ ኤርትራውያን’ውን ኣብ ቴንዳን ሃሩርን፡ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ከም ዘለው ይገልጽ። እዚኣቶም፡ ስደተኛታት ዘይኰኑ፡ ኣብ ከተማታት ትግራይ ኣብ ንግድን ካልእ ዝተፈላለየ ስርሓትን ተዋፊሮም ናብራኦም ዝመርሑ ዝነበሩ ኰይኖም፡ “ካብኡ ሃዲሞም ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሓይልታት መንግስቲ ተኣሲሮም ነይሮም፣ ኤርትራውያን ምዃኖም ምስተረጋገጸ፡ ኣብ ሃይቅ ጥቓ ደሴ፡ ኣብ መዓስከር ይነብሩ ኣለው።” ብምባል፡ ንዅሎም ስደተኛታትን ተፈናቐልቲ ቈላሕታ ከም ዘድልዮም ለበዋኡ የቕርብ። ቢቢሲ ትግርኛ፡ ብፍሉይ ንጕዳይ ስደተኛታት ኣለምዋጭ ኣመልኪቱ ንኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት [UNHCR] ኣብ ኢትዮጲያ ተወኪስዎ። እቲ ኮሚሽን ኣብ ምላሹ፡ እቲ መዓስከር ካብ ዝተመስረተሉ ግዜ ኣትሒዙ፡ ኵነታት ሓመድ ናይቲ ቦታ ንዋሕዚ ውሕጅ ጥጡሕ ከም ዘይገብሮ ጠቒሱ፡ ነዚ ንምምሕያሽ ከኣ ካናለታት ውሕጅ ከህነጽ ከም ዝጸንሐን፣ ንመዕገቲ ዕልቕልቕ ዝዝውተር ሓመድ ዝመልአ መሸማዓት ኣብ ነፍስወከፍ ቴንዳ ከም ዝኸቦ ብምግባር፡ ውሕጅ ንውሽጢ ከይኣቱ ጻዕሪ ተገይሩ እዩ ይብል። እቲ ኮሚሽን ኣተሓሒዙ፡ ኣብ መጻኢ ክስዕብ ንዝኽእል ዕልቅልቕ ንምውጋድን፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝወርድ ሓደጋ ንምክልኻልን ክከኣል፣ ነቲ ቦታ ብመሰረቱ ንምምሕያሹ ግን UNHCR ዝያዳ ገንዘባዊ ሓገዝ ይጽበ ከም ዘሎ ይገልጽ። ንሕጽረት ቀረብ መግብን መድሃኒትን ስደተኛታት ዝምልከት ዝቐረበሉ ሕቶ ኣመልኪቱ፡ UNHCR ኣብ ኣለምዋጭ ንዘለው ኣካየድቲ፡ ህይወት ኣድሕን መድሃኒት፣ ቀረብን መሳርሕታትን ሕክምና ኣብተን ዘለዋ ትካላት ጥዕና ንስደተኛታት ንኽቕርቡ ዘድሊ ደገፍ ከም ዝገብር ይገልጽ። ተወሳኺ ክንክን ዘድልዮም’ውን ኣብ ደባርቕን ጐንደርን ኣብ ዘለው ትካላት ጥዕና ኣገልግሎት ‘ሪፈራል’ ይወሃብ’ዩ። “እንተዀነ ስደተኛታት ዝሓሸ ኣገልግሎት ጥዕና ምእንቲ ክረኽቡ፡ ኣብቲ ሃገራዊ ስርዓተ ክንክን ጥዕና [ኢትዮጲያ] ከምዝወሃሃዱ ንምግባርን ንሰበስልጣን ንኸነእምን ንጽዕር ኣለና፡” ይብል እቲ ብዩኤንኤችሲኣር ዝተዋህበ ምላሽ። ንቐረብ መግቢ ኣብ ዝምልከት ነጥቢ’ውን፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ካብ ግንቦት 2022 ጀሚሩ ኣብ ኣለምዋጭ ንዝርከቡ ስደተኛታት መቝነን መግቢ ክህብ ከም ዝጸንሐ፡ እቲ ኮሚሽን የመልክት። እንተኾነ ብሰንኪ ዓለማዊ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ፡ ግጭትን ክሊማዊ ምዝባዕን ዝመጽአ ምንካይ ሰብኣዊ ዓቕሚ፣ ዝረአ ዘሎ ሕጽረት ምወላ፡ መጠን መቝነን መግቢ ብዓቢኡ ብ 40 ሚእታዊት ንኽጐድል ምኽንያት ኰይኑ ከም ዘሎ እቲ ኮሚሽን ይኣምን። “እዚ ማለት ብዙሓት ስደተኛታት እኹል መግቢ ንምርካብ ይቃለሱ ኣለዉ፣ ኣብ ውሕስነት መግቦምን ኣመጋግባኦምን ጽልዋ ፈጢሩ’ሎ፡” ይብል። በዚ መሰረት ድማ እቲ ኮሚሽን፡ ስደተኛታት ዘድልዮም መግቢ ንኽረኽቡ ንምሕጋዝ፡ ምወላታት ለገስቲ ንክቕጽል ጻውዒት ምቕራብ ይቕጽል ምህላው ሓቢሩ። ነቲ ዘይተመሓየሸ ኵነታት ጸጥታ’ቲ መዓስከር ብዝምልከት ንዝቐረበ ስምዕታ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ክምልስ እንከሎ፡ ብርግጽ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያን ግንቦትን 2022፡ እቲ መዓስከር ብግጭት ተሃስዩ እዩ ኢሉ የረጋግጽ። እቲ ኮሚሽን ከም ዝብሎ፡ ከኣ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ምስቶም ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ሰበስልጣን ኵነታት ጸጥታ ስደተኛታት ንምምሕያሽ ዘኽእል ስጕምቲታት ሓለዋ ክወስዱ ድፍኢት ክገብር ጸኒሑ’ሎ። ከም ውጽኢቱ፡ ኣባላት ጸጥታ ናብቲ ቦታ ተዋፊሮም ከምኡ’ውን ንጸጥታ ናይቲ ከባቢ ስደተኛታት ዝሕሉ ሓይሊ ጸጥታ ከም ዘተዋፈረን፣ ኣብ ኣፍደገ’ቲ መዓስከር’ውን መፈተሺ ነቝጣ ከም ዝተተኽለን፡ ይገልጽ። ብዘይካ’ዚ፡ ድሕነት ስደተኛታት ንምርግጋጽ፡ ንጸጥታ ዝምልከት፡ ኣብ መንጐኦምን ኣባላት ጸጥታን ብቐጻሊ ምልውዋጥ ሓበሬታ ከም ዝካየድ፡ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ምላሽ ይህብ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c0j0kee4dpko"} {"headline":"ኲናት ዩክረይን፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ከቢድ ግፍዕን ዕንወትን ንዝወረዶ ከባቢታት በጺሑ","content":"ኣብ ዩክረይን ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንቶንዩ ጉተረዝ ናብቲ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ሩስያ ኣትዩ ዝነበረን ብዙሓት ሲቪላውያን ተቐቲሎም ዝተረኽብሉን ቡቻ ዝተባህለ ቦታ ብምኻድ ንዝወረደ ዕንወት ብኣካል ተዓዚቡ። ቅድሚ ክልተ መዓልታት ኣብ ሞስኮ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዝተራኸበ ጉተረዝ፡ እቲ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ዘሎ ኲናት ዩክረይን ከብቅዕን ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበርን ጸዊዑ። ንሱ እቲ ኣብቲ ዝበጽሖ ቦታታት ዝተዓዘቦ ዝፈረሰን ዝነደደን ህንጻታት ከምዘሕዘኖ ገሊጹ። \"ነዚ ዝዓነወ ህንጻታት ምስ ተዓዘብኩ፡ ስድራቤተይ ኣብዚ ፈሪሱ ዘሎን ናብ ጸሊም ዝተቐየረን ገዛውቲ እንተዝህልዉ ኢለ'የ ሓሲበ። ደቂ-ደቀይ ሰንቢደን ክሃድማ ተራእየናኒ\" ክብል ገሊጽዎ። \"እዚ ኲናት'ዚ ናይ መበል 21 ክፍለዘመን ትርጉም-ኣልቦነት'ዩ። ኲናት ሕሱም'ዩ። ነዚ ኩነታት ብዓይንኻ ክትርእዮ እንከለኻ ድማ፡ ልብና ምስቶም ግዳያት'ዩ ዝኸውን፣ ምጽንናዕ ንቤተሰቦም\"። \"ስሚዕትና ግን፡ ኣብ መበል 21 ክፍለ-ዘመን ኲናት ቅቡል ዝኾነሉ መንገዲ የለን፡ ራኣይዎ'ዶ\" ክብል ጉተረዝ ዝተሰምዖ ጓሂ ገሊጹ። ኣብቲ ቦታታት ዝተፈጸመ ቅትለትን ግፍዕን ክምርመር ከምዝድግፍ ዝገለጸ እቲ ዋና ጸሓፊ፡ \"ዓለምለኻዊ ገበናዊ ቤት ፍርዲ [ዘካይዶ መርመራ] ምሉእ ብምሉእ እድግፎ'የ፣ ፈደራላዊት ሩስያ'ውን ምስቲ ቤት ፍርዲ ክትተሓባበር እምሕጸን\"። \"ብዛዕባ ኲናት ክንዛረብ እንከለና ግን፡ እቲ ዝኸፍአ ኲናት ባዕሉ'ዩ\" ኢሉ። ጉተረዝ ድሕሪ'ቲ ኣብ ቦረድያንካን ቡቻን ዘካየዶ ምብጻሕ፡ ናብታ ዒላማ ደብዳብ ሓይልታት ሩስያ ኮይና ዝጸንሐት ከተማ ኢርፒን ከምርሕ ምዃኑ ተፈሊጡ። እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ዝዀነት ሃገር፡ ኣብዚ ምስ ዩክረይን ዝግበር ዘሎ ኲናት ኢዳ ክትመልስ እንተፈቲና፡ ቅጽበታዊ ግብረመልሲ ክወሃባ ምዃኑ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣጠንቂቝ። \"ካልኦት ዘይውንናኦ ኣጽዋር ዓጢቕና ኢና፣ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ድማ ክንጥቀመሉ ኢና፡\" ክብል፡ ነቲ ሃገሩ ዘለዋ፡ ባልቲክ ሚሳይልን ኑክሊየራዊ ኣጽዋርን ኣመልኪቱ። ኣሜሪካ፡ ዩክረይን ንሩስያ ክትብድህ ትኽእል እያ ብምባል ብዝተተስፈወቶ ተተባቢዐን፡ መሻርኽቲ ዩክረይን ዝዀና ሃገራት ዝተፈላለየ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ነታ ሃገር ከቕርባ ይርኣያ ኣለዋ።ዝዀነት ሃገር፡ ኣብዚ ምስ ዩክረይን ዝግበር ዘሎ ኲናት ኢዳ ክትመልስ እንተፈቲና፡ ቅጽበታዊ ግብረመልሲ ክወሃባ ምዃኑ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣጠንቂቝ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61261733"} {"headline":"ኣብ ከቢድ ሽግር ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ጂቡቲ","content":"ኣብርሃ (ስሙ ዝተቐየረ) ካብቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ኲናት ንምህዳም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ንዘዳለዉሉ ኣዝዩ ኣፀጋሚ መገዲ ተጠቒሙ ናብ ጂቡቲ ካብ ዝኣቱ ሓደ ዓመት ጌሩ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረሉ ነብሱን ስድርኡን ብንግዲ ዘመሓድር ዝነበረ ኣብርሃ ሐዚ ኣብ ከቢድ ሽግር ከምዝርከብ ይዛረብ። ናብራ ስደት መሪር ክኸውን ከምዝኽእል ግምት እኳ እንተነበሮ፡ ከምዚ ሎሚ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሆልሆል፡ ጅቡቲ ዘሎ ከቢድ ክኸውን እዩ ኢሉ ግን ኣይሓሰበን። ንሓደ ሰብ ኣብ ወርሒ ሰለስተ ኪሎ ሓርጭ ስርናይን ክልተ ኪሎ ዘይተጥሓነ መሸላን ከምዝወሃቦ ኣብርሃ ይዛረብ። ኣብዚ እዋን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሆልሆል ልዕሊ 7 ሽሕ ሰባት ክህልው እንከለው፡ ካብዚኦም እቶም ኣስታት 1,000 ኢትዮጵያውያን ከምዝኾኑ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ካልኦት ነበርቲ እቲ መዓስከር ገሊፆም። እቶም ስደተኛታት፡ ነቲ ዝወሃቦም መሸላ ኣጥሒኖም ክጥቀመሉ ዘኽእሎም መገዲ ስለዘየለ፡ እቲ ዝወሃቦም ክልተ ኪሎ ኣብቲ ከባቢ ኣጣል ንዘርብሑ ነበርቲ ብዝሓሰረ ዋጋ ክሸጥዎ ከምዝግደዱ ይዛረቡ። ኣስታት ሓደ ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ጅቡቲ፡ ኣብ ኣርባዕተ ዝተፈላለዩ መዓስከራት ከባቢ 35 ሽሕ ስደተኛታት ተአንግድ። ዓሊ ዓደህ ዝብሃል መዓስከር ንፍርቂ ካብቶም ስደተኛታት ዘአንግድ እንትኸውን፡ ሆልሆል ድማ 23 ሚኢታዊት ብምሓዝ ካልኣይ ዝዓበየ መዓስከር ስደተኛታት ጅቡቲ እዩ። እቶም ካልኦት መዓስከራት ኣብ ከተማ ጅቡቲን ማርካዚን ይርከቡ። ኣብ መዓስከር ሆልሆል ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ርእሲ’ቲ ዘጋጥሞም መሰረታዊ ናይ ቀረብ ጸገማት፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት ድማ ብሰንኪ’ቲ ዓመታዊ ኣብ ጅቡቲ ዘጋጥም “ካምሲን” ዝበሃል ህቦብላ፡ ንጸገም መፅለሊ ተቓሊዖም ይርከቡ። እቲ ኣዝዩ ብርቱዕ ንፋስ ኣብቲ መዓስከር ንዝርከቡ ካብ ፕላስቲክ ዝስርሑ መዕቆቢታት ስለዘፍረሶም ብዙሓት ነበርቲ መፅለሊ ኣልቦ ከምዝኾኑ እቶም ስደተኛታት ይዛረቡ። ካብ ወጋሕታ ሰዓት 4፡00 ጀሚሩ ክሳብ ቀትሪ ዝነፍስ እቲ ንፋስ፡ ከቢድ ሓደጋ ከንፀላልዎም ከምዝገበረ ወሲኾም ይገልፁ። ኣብቲ መዓስከር ካብ ዝርከብ መፅለሊታት እቲ ልዕሊ ፍርቂ ብነፋስ ከምዝዓነወ ዝሓበሩ እቶም ስደተኛታት 12 መጽለሊታት ከኣ ምሉእ ብምሉእ ካብ ኣገልግሎት ወፃእ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም። እቲ ንፋስ በቲ ዘሎ ኩነታቱ እንተቐጺሉ ብዘይ መጽለሊ ከይተርፉ ሰጊኦም ከምዘለዉ'ውን ይዛረቡ። ትንበያታት ከምዘመልክትዎ፡ እቲ ህቦብላ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ክጸንሕ ትጽቢት ይግበር። እቶም ስደተኛታት ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ዘብፅሓሎም ህቦብላ፡ ነቲ መዓስከር ንዘመሓድሩ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ሓበሬታ ከምዝሃቡን ክሳብ ሕዚ ግን ዝኾነ ምላሽ ከምዘይረኸቡን ይገልፁ። ቢቢሲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወሃቢት ቃል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ዩኤን ኤች ሲ ኣር) ንዝኾነት ፈይዝ ካሲና ኣዘራሪቡ ነይሩ። ንሳ፡ ብፍላይ ምስ ፀገም ቀረብ መግቢ ብዝተሓሓዝ ኣብ ዝሃበትና መልሲ፡ ብሰንኪ ዓለማዊ ወሰኽ ዋጋ ነዳድን ኩናትን፡ ነቶም ስደተኛታት እኹል መግቢ ምቕራብ ከምዘይተኽኣለ ኣረዲኣ። “እቲ ካልእ ምኽንያት ከኣ ትካልና ሕጽረት ገንዘብ ስለዘጋጠሞ እዩ። ኣብዚ ዓመት'ዚ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ስደተኛታት ኣገልግሎት ንምሃብ ካብ ዘድልየና ገንዘብ፡ 27 ሚእታዊት ጥራይ ክንረክብ ኪኢልና ኣለና። ለገስቲ ብቐፃሊ ደገፍ ክገብሩ ከኣ ጻውዒት ነቕርብ\" ክብል ፈይዝ ንቢቢሲ ተዛሪባ። እንተኾነ ግን እቶም ስደተኛታት ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣብ ዝበልዎ ጉዳይ መፅለሊ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተዓቂባ። እቶም ስደተኛታት ከምዝብልዎ፡ ኣብ መዓስከር ሆልሆል ዝርከብ መደበር ጥዕና ምርመራ ኤችኣይቪን ኮሮና ቫይረስን ካብ ምግባር ወጻኢ፡ ዝኾነ ዓይነት መድሓኒታት፣ ኣገልግሎት ላቦራቶሪ ይኹን ሓኻይም የብሉን። ንዝሓሸ ሕክምና ካብቲ መዓስከር 40 ኪሎሜተር ርሒቑ ናብ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ከምዝለኣኹ፡ እንተኾነ ግን ናብኡ ዝበጽሕ መጓዓዝያ ብዘይምህላዉ፡ ብዙሕ ጸገማት የጋጥሞም ከምዘሎ ይዛረቡ። ኣብ ከቢድ ሓደጋ ጥዕና ንዘሎ ሰብ ጥራይ ኣገልግሎት እትህብ ኣምቡላንስ፡ ኣብቲ መዓስከር ካብ እትርከበሉ እቲ ዘይትርከበሉ እዋን ይበዝሕ ይብሉ እቶም ስደተኛታት። “ነዚ ሓሊፍና ክንኸይድ እንተፈቲንና ባዕልና መድሃኒት ክንገዝእ ንግደድ። እቲ ስደተኛ ገንዘብ ስለዘይብሉ ግን ብዘይ መድሃኒት ናብ መፅለሊኡ ተመሊሱ ይድቅስ” ይብል ኣብርሃ። “ካብ ሆሎሆል ናብቲ ብቐረባ ዝርከብ ኣልሰበህ ዝብሃል ከባቢ ህዝባዊ መጓዓዝያ የለን። ምኻድ ከምዘይከኣል እናፈለጥካ ‘ሪፈር’ ምጽሓፍ ትርጉም የብሉን” ይብል ኣብርሃ። ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ጫት ፅዒና እትመፅእ መኪና ናብ እትርከበሉ ዝቐረበት ቦታ ብእግሮም ብምኻድ ለሚኖም ሕክምና ክረኽቡ ዝፍትኑ ስደተኛታት’ውን ኣለው። ኣብ’ቲ መዓስከር እኹል ማይ ከምዘየለ ዝዛረቡ እቶም ስደተኛታት፡ እቶም ዝጸንሑ ገንእታት ማይ ከኣ ብፍላይ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ሓደ ግዜ ጥራሕ ከምዝመልኡን ብተደጋጋሚ ክዕጸዉ ከምዝጸንሑን ሓቢሮም። ብሰንኪ’ቲ ዘይ እኹል ቀረብ ማይ ድማ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ጥራይ ማይ ዝበፅሖም ስደተኛታት ከምዘለዉ ይዛረቡ። በዚ ምኽንያት፡ ገለ ዝኸኣሉ ስደተኛታት ንኣስታት ሰለስተ ሰዓታት ብእግሮም ተጓዒዞም ካብ ምንጪ (ፈልፋሊ ማይ) ቀዲሖም ይምለሱ። እዚ ግን ናብ ተላባዒ ሕማማት የቃልዖም ከምዘሎ ወሲኾም ይገልጹ። እዚ ኩሉ ፀገማት ዘጋጥሞም ዘለዉ ዝበዝሑ ካብ ኦሮሚያን ትግራይን ዝሃድሙ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኮይኖም፡ ብፍላይ ብሰንኪ ጥሜት ናብ የመን ክስደዱ ከምዝውስኑ ይዛረቡ። ኣብ ቀረባ እዋን ናብ የመን ዝተሰደዱ ሰለስተ ኢትዮጵያውያን ከምዝሞቱ ብመርትዖ ኣደጊፎም ናብ ቢቢሲ ኣቕሪቦም ኣለዉ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወሃቢት ቃል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ዩኤን ኤች ሲ ኣር)  ፈይዝ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ህጹጽ ሓገዝ እንተዘይረኺቡ ንድሌታት እቶም ስደተኛታት ከማልእ ከምዝጽገም ብምግላፅ ምስ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብምዃን ለገስቲ ገንዘብ ክህቡ ፃዕሪ ይገብሩ ምህላዎም ኣረዲኣ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crgvy07ye7po"} {"headline":"ኲናት ዩክሬን፡ ዋና ጸሓፊ ጉተረስ ኣብ ዑደት ኣብ ዝነበረሉ ኪቭ ብሮኬት ተሃሪማ","content":"ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኪቭ ርእሰ ከተማ ዩክረይን ምብጻሕ እናገበረ እንከሎ ናብታ ከተማ ሮኬታት ተተኲሶም። ኣብታ ከተማ ናብ ዝርከብ 'ሼቭቼንኮ' ዝተባህለ ከባቢ ክልተ ግዜ ሮኬት ከም ዝተተኮሰን ሰለስተ ሰባት ጕድኣት ወሪድዎም ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስዱን ከንቲባ እታ ከተማ ገሊጹ። ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ኣብታ ከተማ ዑደት ኣብ ዝገብረሉ እዋን፡ ንባይቶ ጸጥታ እቲ ዝመርሖ ትካል ነቒፉ። ጉተረዝ፡ እቲ ባይቶ ንኲናት ዩክረይን ደው ከብሎ ኣይክኣለን ብምባል፡ \"እዚ ብጣዕሚ ዘሕዝንን ዘቘጥዕን እዩ\" ክብል ኮኒኑ። \"ብግልጺ ክነግረኩም፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ኲናት ደው ንምባል ንዓቕሙ ዝምጥን ጻዕሪ ኣይገበረን፡\" ኢሉ። እቲ 15 ኣባል ሃገራት ዝሓዘ ባይቶ ጸጥታ፡ ቀንዲ ስርሑ ሰላምን ድሕነትን ዓለም ምሕላው እዩ። እንተዀነ እቲ ትካል፡ ነቲ ገና ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ክገትኦ ብዘይምኽኣሉ፡ መንግስቲ ዩክረይንን ካልኦት ኣካላትን ይነቕፉዎ ኣለው። ሩስያ፡ ሓንቲ ካብተን ሓሙሽተ ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ እያ። ኣንቶኒዮ ጉተረስ፡ ትማሊ ምስ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ሓበራዊ መግለጺ ክህብ እንከሎ፡ \"ክቡር ፕረዚደንት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተስፋ ከም ዘይቈረጸ ንዓኻን ንህዝቢ ዩክረይንን ከፍልጠኩም እደሊ፡\" ኢሉ። እቲ ዋና ጸሓፊ፡ ነቲ ዝመርሖ ትካል እንተነቐፈ'ኳ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ይህብ ምህላው ግን ጠቒሱ'ዩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዩክረይን 1400 ሰራሕተኛታት ብምውፋር መግብን ገንዘብን ዘጠቓልል ዝተፈላለዩ ሓገዛት ይገብር ከም ዘሎ ጉተረስ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። እቲ ዋና ጸሓፊ ኣብ ዩክረይን ኣብ ዝበጽሐሉ እዋን፡ ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ዝፈጸመቶም \"ገበናት ኲናት\" ክርኢ ከም ዝኽእል ተዛሪቡ። ሩስያ \"ዓሌታዊ ጭፍጨፋ\" ትፍጽም ኣላ ክብል ከሲሱ። ሩስያ ግን ነዚ ከምዚ ዓይነት ክስታት ትነጽጐ። ትማሊ ቦሮድያንካ ኣብ ዝተባህለ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ኪቭ ኣብ ዝርከብ ከተማ ምብጻሕ ዝገበረ ጉተረዝ፡ በቲ ኲናት ዝዓነው ህንጻታት ተዓዚቡ። \"ኣብ መበል 21 ክፍለመዘን ዘይሕሰብ\" ኲናት ክብል'ውን ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ። ነታ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ብሩስያ ዝዓነወት ከተማ ማሪዮፖል ምስ ርኣየ ድማ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ንምድሓን ጻውዒት ኣቕሪቡ። \"መብዛሕትኦም ኣረጋውያን እዮም፣ ክንቀሳቐሱ ዘይክእሉ ኣለው። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰላማውያን ሰባት ከነድሕኖም ኣለና፡\" ኢሉ። ሩስያ፡ ኣዞቪስታል ኣብ ዝተባህለ ቍሸት ኢንዳስትሪ ዝነብሩ ሰላማውያን ሰባት ከምኡ'ውን ወተሃደራት ዩክረይን ካብቲ ከባቢ ክወጽኡ መገዲ ክትከፍት፡ ብተደጋጋሚ ብዩክረይን ተሓቲታ እያ፤ ሩስያ ግን ኣይተቐበለቶን። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ \"ብመትከል\" ሰላማውያን ሰባት ካብታ ከተማ ክወጽኡ ከም ዘፍቀደ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61268143"} {"headline":"‘ቅልጡፍ ሓገዝ እንተዘይረኺበ 750 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝበልዕዎ ኣይክህልዎምን'ዩ' - ሕቡራት ሃገራት","content":"ህጹጽ ሓገዝ እንተዘይተረኺቡ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 750 ሽሕ ስደተኛታት ዝበልዕዎ ከምዘይህልዎም ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኤጀንሲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣፍሊጦም፡፡ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራትን ኣገልግሎት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ ህጹጽ ሓገዝ ገንዘብ ዘይርከብ እንተዀይኑ ድሕሪ ዝመጽእ ዘሎ መስከረም 2015 ዓ\/ም [ግእዝ] ኣብታ ሃገር ተዓቝቦም ዝርከቡ ስደተኛታት ዝብልዕዎ ኣይክህልዎምን እዩ፡ ኢሎም፡፡ ብሰንኪ እዚ ከጋጥም ዝኽእል ቅልውላው ድማ እቶም ስደተኛታት ንሕጽረት ምግቢ ክቃልዑን ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ክዳኸምን ከምዝገብር ስግኣቶም ገሊጾም፡፡ ተወካልን ዳይረክተርን ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክላውድ ጂቢዳር ‘‘ብህጹጽ ሓገዝ ገንዘብ እንተዘይረኺብና ኣብ ውሽጢ ሰሙናት 750 ሽሕ ሰባት ዝበልዕዎ ኣይክህልዎምን'ዩ’’ ኢሉ፡፡ ሕቡራት ሃገራት ንስደተኛታት ዝህቦ ዝነበረ ረድኤት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ክቕንሶ ከምዝተገደደ ኣብቲ መግለጺ ሓቢሩ ኣሎ፡፡ ኣብ 2015 [ኣ.ኣ] ኣብ ኢትዮጵያ ንዘለዉ ስደተኛታት ዝወሃብ ዝነበረ መጠን ረድኤት ብ 16 ሚእታዊት ዝተቐነሰ ኰይኑ፡ ካብ ሕዳር 2013 [ግእዝ] ጀሚሩ ብ 40 ሚእታዊትን ከምኡ'ውን ካብ ከባቢ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ጀሚሩ ብ 50 ሚእታዊት ክቕንስ ተገይሩ እዩ፡፡ ምቕናስ ቀረብ ምግቢ ዓለም፡ ምንቍልቋል ቍጠባ ዓለም፡ ምኽባር ዋጋ ምግብን ነዳድን ከምኡ'ውን ግጭታት ምኽንያታት ምቕናስ ንስደተኛታት ዝቐርብ ዝነበረ ሓገዝ እዮም፡፡ ምቕናስ ሓገዝ ምግቢ ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ዝውውረዶ ጽልዋ ንምፍላጥ ክልቲኦም ትካላት መጽናዕቲ ኣካይዶም እዮም፡፡ እቲ መጽናዕቲ፡ ቀረብ ረድኤት ዝተቐነሶም ስደተኛታት ነቲ ጸገም ንምጽዋር መጠን ዝበልዕዎ ምግብን ኣብ መዓልቲ ዝመገቡሉ መጠን ከምዝቐነሱ የመልክት፡፡ ክላውድ ጂቢዳር፡ ‘‘መሰረታዊ ድልየት ስደተኛታት ንምምላእ ናይ 73 ሚልዮን ዶላር ጕድለት ኣጋጢሙና ኣሎ፤ ሓገዝ ገንዘብ እንተዘይተረኺቡ ድሕነቶም ውሑስ ኣብዘይኰነሉ ናብ ዝመጹሉ ከባቢ ናይ ምምላስ ኣማራጺ ክወስዱ ይኽእሉ እዮም’’ ክብል ኣጠንቂቝ፡፡ ካብ ሓገዝቲ ኣካላት ዝሓተቶ ገንዘብ እንተረኺቡ ግን፡ ካብ ዕዳጋ እቲ ከባቢ ምግቢ ገዚኡ ከምዘከፋፍል፡ መሰረታዊ ድልየቶም ከምዘማልእን ዕዳጋ እቲ ከባቢ ንምንቅቓሕ ጥረ ገንዘብ ከምዘቕርብን ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ገሊጹ፡፡","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c2l59qnpdjeo"} {"headline":"ኲናት ዩክረይን፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት እንታይ'ዩ? ብኸመይ'ከ ይሰርሕ?","content":"ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ሃገራት ዓለም ዓለምለኻዊ ጉዳያት ኣብ ምፍታሕ ሓቢረን ንኽሰርሓ ብዝብል፡ ሕቡራት ሃገራት ካብ ሓሙኽሽቲ እዩ ተላዒሉ። እቲ ፈላማይ ኣኼባኡ ኣብ 1946 ዘካየደ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዓለም ሰላምን ምርግጋእን ናይ ምስፋን ሓላፍነት ዝተሰከመ ኣገዳሲ ኣካል ኮነ። ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ወራር ድሕሪ ምፍጻማ፡ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ነቲ ባይቶ ኣብ ዘስምዖ ስምዒትካ ዝትንክፍ ዘረባ ንወተሃደራዊ ስጉምቲ ሩስያ ደው ንምባል \"ብህጹጽ\" ስጉምቲ ክወስድ ጸዊዑ። እንተኾነ ግና እቲ ውድብ ዝሰርሓሉ ኣገባብ ኣብ እዋን ዓለምለኻዊ ፍጻመታት ስጉምቲ ምውሳድ ኣጸጋሚ ገይሩዎ ኣሎ። እቲ ሓሙሽተ ቀወምትን 10 ዘይቀወምትን፡ ብሓፈሻ 15 ኣባል ሃገራት ዘለዎ ኣካል እገዳታት ከንብርን ዓለምለኻዊ ሰላምን ምርግጋእን ንምውሓስ ሓይሊ ምጥቃም ናይ ምፍቃድ ስልጣን ኣለዎ። እንተኾነ ግና ዝበዝሕ ግዜ፡ ውሳነታት በተን ኣብ ዓለምለኻዊ ጉዳያት ተጻራሪ ኣረኣእያ ዘለወን ቀወምቲ ኣባላት፡ ብቀውፊ (ውሳነ ናይ ምቅዋም ወይ ምኽልካል መሰል) ስለ ዝዕገት፡ ኣገዳሲ ውሳነታት ምሕላፍ ዘይከኣል እዩ። እሞ፡ ባይቶ ጸጥታ ውብ ሕቡራት ሃገራት ብኸመይ እዩ ዝሰርሕ? ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ቻይና፡ ሩስያን ፈረንሳን እተን ሓሙሽተ ቀወምቲ ኣባል ሃገራት እቲ ባይቶ እየን። እዚአን እቲ ባይቶ ኣብ ዝተመስረተሉ እዋን (ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ምዃኑ'ዩ)፡ ጀርመንን ጃፓንን ምስ ተሰዓራ፡ ሓያላን ኮይነን ዝወጽኣ እየን። እዚ ኣቃውማ ድሕሪ 1946 ዋላ'ኳ ሓድሽ ጂኦ-ፖለቲካዊ ምዕባለታት እንተመጽአ ከይተቐየረ ጸኒሑ ኣሎ። መንበር ቻይና ኣብቲ ፈለማ በቲ ብችያንግ ካይ-ሸክ ዝምራሕ ሃገራዊ መንግስቲ እዩ ተታሒዙ ነይሩ። ድሕሪ ሰውራ 1949፡ እቲ መንግስቲ ናብ ታይዋን እኳ እንተኣዝለቐ፡ ኣብ 1971 ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ነቲ መንበር ንኮሚኒስታዊ ህዝባዊ ሪፓብሊክ ቻይና ክሰጋገር ክሳዕ ዝውስን በቲ ሃገራዊ መንግስቲ እዩ ተታሒዙ ጸኒሑ። መንበር ሩስያ'ውን ኣብ ፈለማ ብሕብረት ሶቭየት ዝተትሓዘ ኮይኑ ክሳዕ እቲ ሕብረት ዝተበታተነሉ 1991 ብኸምኡ እዩ ጸኒሑ። እተን ሓሙሽተ ቀወምቲ ኣባላት ዘለወን ፍሉይነት፡ ንውሳነ ዝኾነ ኣብቲ ባይቶ ዝዝተየሉ ዛዕባ ብቀውፊ ደው ከብልኦ ዘኽእል ስልጣን ስለ ዘለወን እዩ። እዚ ማለት ሓንቲ ካብኣተን ንዝኾነ ውሳነ እንተተቓዊማ ክሓልፍ ኣይኽእልን። ድምጻ ካብ ምሃብ እንተተቖጢባ ግና እቲ ውሳነ ክሓልፍ ይኽእል እዩ። እዚ ብፍላይ ከምዚ ናይ ዩክሬን ኣብ ዝኣመሰለ፡ እተን ናይ ቀውፊ ስልጣን ዘለወን ሃገራት ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣብ ግጭት ተሳተፍቲ ምስ ዝኾና ኣገዳስነቱ ዕዙዝ እዩ። ነቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ረብሓ ምግጫው ክኽልክል ዘኽእል መምርሒ የሎን። ኣብ 2020 ልዕሊ 100 ሃገራት ነቲ ብፈረንሳን ሜክሲኮን ዝቐረበ ኣብ ኣጠቓቕማ መሰል ቀውፊ ምትዕርራይ ዝገብር እማመ ድጋፈን ገሊጸን። እቲ እማመ፡ እተን ሓሙሽተ ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ \"ብዙሕ ግህሰት\" ኣብ ዝተፈጸመሉ ጉዳያት ብፍታወንን ብሓባርን ስልጣን ቀውፊ ካብ ምጥቃም ክቑጠባ ይጠልብ። ከም ስጳኛ ዝኣመሰላ ካልኦት ሃገራት ከኣ፡ መሰል ቀውፊ ምሉእ ብምሉእ ክውገድ ሓቲተን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት፡ ዓሰርተ ሃገራት ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክኾና ይምረጻ። ኣብዚ ኩለን ሓፈሻዊ ባይቶ ዝተወከላ ኣባል ሃገራት ድምጸን ክህባ ይኽእላ። እዚ ዞባዊ ሚዛን ንምሕላው ዝዓለመ ኮይኑ፡ ሓሙሽተ ካብ ኣፍሪቃ ወይ እስያ፣ ክልተ ካብ ላቲን ኣሜሪካ፣ ሓንቲ ካብ ምብራቕ ኣውሮጳ ክልተ ከኣ ካብ ምዕራብ ኣውሮጳ ወይ ካልእ ዞባ ብምዃን ዘይቀወምቲ ኣባላት ኮይነን ይምረጻ። ኣብዚ እዋን (ሚያዝያ 2022)፡ እተን ዘይቀወምቲ ኣባላት እቲ ባይቶ፡ ህንዲ፣ ኣየርላንድ፣ ኬንያ፣ ሜክሲኮ፣ ኖርወይ (ክሳዕ 31 ታሕሳስ ዝጸንሓ) ከምኡ'ውን ኣልባንያ፣ ብራዚል፣ ጋቦን፣ ጋናን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ክሳዕ መወዳእታ 2023 ዘገልግላ እየን። ሃገራት ኣብዚ ባይቶ ንምእታው ንሕንሕ ክገብራ እንከለዋ፡ ገሊአን ቅድሚ ዓመታት እየን ክወዳደራ ምዃነን ዝገልጻን ደገፍ ካልኦት ዝሓታን። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ባይቶ ጸጥታ ንሓደ ወርሒ ፕረዚደንት እቲ ባይቶ ብምዃን ተገልግል። ኣብ ዝሓለፈ 75 ዓመታት ጎባልል ኮይነን ዝወጽኣ ሃገራት ግና፡ ንህልዊ ብዝሐ-ሓያላን ዘለዎ ዓለም ዝውክል ከምዘይኮነ ብምግላጽ ንኣቃውማ ባይቶ ጸጥታ ብትሪ ክነቕፋ ይስምዓ። ኣብ 1993 ብሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝቖመ ጽገናታት ንምትእትታው ዝሰርሕ ጉጅለ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ተነሓናሕቲ ዘሎ ዘይምርድዳእ ዛጊት ብዙሕ ኣይተዓወተን። እተን ብ ጂ4 ዝፍለጣ ህንዲ፣ ጀርመን፣ ጃፓንን ብራዚል ከምኡ'ውን ኣፍሪቃዊ ሕብረት ገለ ካብቶም ቀዋሚ መንበር ንምርካብ ንነዊሕ ጻዕርታት ክገብሩ ዝጸንሑ እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕሃ ኣብ ዝነበረ ክትዕ ወከልቲ ጂ4 \"ነቲ ዝርርብ ሓድሽ ህይወት ንምስኳዕ\" ጸዊዖም። እቲ ባይቶ \"ንእስያ፡ ኣፍሪቃን ላቲን ኣሜሪካን ብዝሓሸ መገዲ ብምውካል፡ ንህልው ጂኦ-ፖለቲካዊ ክውንነት ከንጸባርቕ ከም ዝግባእ\" ተሰማሚዖሞ። እቲ ሓባራዊ ኣፍሪቃዊ መርገጺ ብዝብል ዝፍለጥ፡ \"ዝያዳ ወካልን ደሞክራስያውን\" ባይቶ ጸጥታ ክህሉ ዝጠልብ ኣረኣእያ፡ ኣብ 2005 ኣብ ክለተ ኣዋጃት - ስምምዕ ኤዙልዊኒን ኣዋጅ ሲርተን - ሰፊሩ ኣሎ። ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤልን ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ነበር ኮፊ ኣናን እቲ ዕረያ ነቲ እቲ ባይቶ ኣብ ዓለም ንዘለዎ ስፍራ ዘዳኽም እዩ ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ። ባይቶ ጸጥታ ኣብ ምውጋድ ብረታዊ ግጭት ኣገዳሲ ተራ እዩ ዘለዎ። ሓንሳእ ግጭት ምስ ተወልዐ ግና እቲ ቀንዲ ዕላምኡ ዲፕሎማስያዊ መፍትሒ ምንዳይ እዩ። እቲ ግጭት እንተቐጺሉ፡ እቲ ባይቶ ተኹሲ ኣብ ምቁራጽን ዓቃቢ ሰላም ናብቲ ስፍራ ኣብ ምውፋርን ይሰርሕ። ኣባላት ሕቡራት ሃገራት እገዳታት ከንብር ክእዝዝን ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ከኣ ኣብ ልዕሊ ወራሪ ኣካል ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ከፍቅድን ይኽእል። ኩለን ኣባል ሃገራት ሕሃ ንውሳነታት ባይቶ ጸጥታ ከኽብራ ይሕተታ። ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዋላ ኣብቲ ንጹር ምልክታት ኣብ ዘለዎ ኩነታት፡ ዕንወት ክሳዕ ዘጋጥም ስጉምቲ ብዘይምውሳድ ይኽሰስ፤ ነዚ ከም ኣብነት ዓሌታዊ ህለቂት ርዋንዳ 1994 ይለዓል። እቲ ናብ ውሳነ ዘብጽሕ መስርሕ ዝሕቱል ምዃኑን መሰል ቀውፊን፡ ሓደ ሓደ ግዜ ሃገራት ነቲ ሕጋዊ እዩ ዝብልኦ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ፍቓድ ከይረኸባ ክወስዳ ዘኽእል እዩ። ኣብ 1999 ኔቶ ኣብ ልዕሊ ዩጎስላቭያ ዝገበሮ ደብዳብ ፍቓድ ናይ'ቲ ባይቶ ኣይነበሮን። ሃገራት ኔቶ፡ ብፍላይ ብቢል ክሊንተን ትምራሕ ዝነበረት ኣሜሪካ፡ ኣንጻር እቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ኮሶቮ ዝነብሩ ህዝቢ ኣልባንያ ብሓይልታት ዩጎዝላቭያ ዝተፈጸመ ምጽናት ዓሌት በይነኣዊ ስጉምቲ ምውሳድ ሕጋዊ ምዃኑ ገሊጸን። ሩስያ ግና ብዘይ ፍቓድ ባይቶ ጸጥታ ዝተፈፈመ እቲ ደብዳብ ነቲ ኩነታት ከምዘበኣኣሶ ሞጊታ። ኣሜሪካን ብሪጣንያን ኣብ 2003 ንጹር ፍቓድ ናይ ባይቶ ጸጥታ ከይረኸባ ኣብ ልዕሊ ኢራቕ ወራር ፈጺመን። ብባይቶ ጸጥታ ሕሃ ዝሓለፈ ውሳነ 1441፡ ዒራቕ ዕጥቓ ክተውርድን ምስ ተቖጻጻሪ ኣጽዋር ክትተሓባበርን እዩ ጠሊቡ። እንተኾነ ግና ፈረንሳን ሩስያን ዝርከብኦም ገለ ቀወምቲ ኣባላት እቲ ባይቶ፡ እቲ ውሳነ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ብዛዕባ ምፍቓዱ፡ ምስ ኣሜሪካን ብሪጣንያን ክሰማምዓ ኣይከኣላን። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ከኣ ባይቶ ጸጥታ ኣገዳሲ ስጉምትታት ወሲዱ ኣሎ። ካብ 2006 ክሳዕ 2015 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ምስ ኑክሌራዊ መደባታ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ኢራን ናይ ኣጽዋርን ምስ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ምትእስሳር ኣብ ዘለዎም ቴክኖሎጅን ተደጋጋሚ እገዳታት ኣንቢሩ። ካብ 2006 ጀሚሩ ኣንጻር ሰሜን ኮርያ- ብምኽንያት የይ ኑክሌራዊ ኣጽዋር መደባታ- ልዕሊ ዓሰርተ ውሳነታት ኣሕሊፉ ኣሎ። እቲ ውሳነታት ንመሸጣ ኣጽዋር፡ ወተሃደራዊ ንዋት፡ ሳይንሳዊ ምትሕብባርን እገዳ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ መደብ ኑክሌር ሰሜን ኮርያ ዝዋስኡ ውልቀ ሰባትን ዝዓለመ እዩ። ኣብ 2001 እቲ ባይቲ ኣብ ክሊ ኣየር ሊብያ በረራ ክእግድ እንከሎ እዚ ብተዘዋዋሪ ኣብ ምውዳቕ መንግስቲ ጋዳፊ እጃም ነይርዎ። ኣብ 2012 ሩስያን ቻይናን ናብቲ ምስ ሩስያ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዎ ስርዓት ፕረዚደንት በሽር ኣል ኣሳድ- ሶርያ ዝዓለመ ብርክት ንዝበለ ውሳነታት እቲ ባይቶ ቀውፊ ብምጥቃም ደው ኣቢለን። ሎሚ'ውን ዝኾነ ኣንጻር እቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ዝዓለመ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕሃ ዝቐረበ እማመ ሩስያ ብዘለዋ ስልጣን ቀውፊ ደው ይብል ኣሎ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61009204"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ: ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ወረዳ ኢሮብ ልዕሊ 33 ሽሕ ሰባት ንሕሱም ጥሜት ከምዝተቓልዑ ኣፍሊጡ","content":"ትካል ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት [OCHA]፡ ኣብ ትግራይ ወረዳ ኢሮብ ልዕሊ 33 ሽሕ ሰባት ንህይወቶም ኣብ ዘስግእ ሕሱም ሓደጋ ጥሜት ከምዝርከቡ ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን፡ ምምሕያሽ ሰብኣዊ ኩነታት እንተሎ'ኳ፡ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ሕጽረት ሰብኣዊ ረድኤት፣ ነዳድን ገንዘብን በዳሂ ኮይኑ ከምዘሎ ሓቢሩ። ኣብ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ኢሮብ 65 ሚእታዊት ነበርታ ኣዝዩ ዝኸፍአ ሕጽረት ምግቢ ከምዘጋጠሞምን ናብቲ ከባቢ ምብጻሕ ከምዘይተኻእለን ሓቢሩ። ኣብ መጋቢት ብሓፈሻ ኣብ ምብራቕ ትግራይ፡ ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ዝኽስተ ጎንጽን ድሩት ተበጻሕነትን ልዕሊ 87 ሽሕ ነበርቲ ምምዝባሎም እቲ ጸብጻብ ወሲኹ የመልክት። ወተሃደራት ኤርትራ፡ ኣብዝሓ እቲ ወረዳ ተቘጻጺሮም ከምዘለዉ መራሕቲ ትግራይ ዝገልጹ ኾይኖም፡ ንወረዳ ኢሮብ ሓዊሱ፡ ኣብ ከባቢ ዶባት ወተሃደራዊ ጐንጽታት ከምዘሎ እቲ ጸበጻብ ኣመልኪቱ። እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ከም ዝሓበሮ ኣብ ገለ ከባቢታት ምዕራብ ትግራይ፡ ብፍላይ ኣብ ኣዋሰንቲ ከባቢታት ከተማ ሓምዳይት - ሱዳን፡ ኣብ ጥቓ ከተማታት በረከት፣ ማይ-ካድራን ሑመራን መጠናዊ ጎንጽታት ከምዝነበረ ሓቢሩ። ዕጡቓት ኣምሓራን ፋኖን፡ ንኣብዝሓ ምዕራብ ትግራይ ተቘጻጺሮም ዝርከቡ ኮይኖም፡ ኣብቲ ከባቢ ምስ ኣንጻር ሰብኣዊነት ዝዳረግ ግፍዕታት ይፍጸሙ ምህላዎም፡ ተሓለቕቲ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ምግላጾም ዝዝከር እዩ። ሰራዊት ኤርትራ'ውን ኣብቲ ከባቢ ከም ዝርከቡ ገለ ጸብጻባት የመልክቱ። እንተኾነ፡ እቲ ሕዚ ኣብቲ ከባቢ ተኸሲቱ ዝተባህለ ጐንጺ ኣብ መንጎ መንን መንን ከምዝኾነ ኣይተነጸረን። ኦቻ፡ ብሰንኪ እቲ ዝተጠቕሰ ጐንጺ፡ ሰራሕተኛታቱ ናብ ካልእ ከባቢ ከምዘንቀሳቐሰ ሓቢሩ ኣሎ። ብተዛማዲ፡ ብፍላይ ቃፍታ ሑመራ፣ ቆራሪት፣ ማይ ጋባን ወልቃይትን ዝኣመሰሉ ከባብታት ድሕነቶም ውሑስ ብዘይ ምዃኑ፡ ብዙሓት ንሓደጋ ጥሜት ዝተቓልዑ ነበርቲ ንኣዋርሕ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘይበጽሖም እቲ ጸብጻብ ኣስፊርዎ'ሎ። ኦቻ ከም ዝበሎ፡ ነቲ ስምምዕ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ስዒቡ፡ ናብቲ ትግራይ መጠናዊ ረድኤት ምሕልላፍ እንተተኽኣለ'ኳ፡ ዘሻቕል ሰብኣዊ ኩነታት ከምዘሎ ሓቢሩ። ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ሕጽረት ረድኤት፡ ሰኣን ነዳድን ሕጽረት ገንዘብን እቲ ዝኣተወ ረድኤት'ውን እንተኾነ ናብቲ ዝድለ ከባቢታት ምብጻሕ ኣይተኽኣለን ይብል። ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ ትግራይ ካብ ጥሜት ዝብገስ መጠን ድኽዳኸ ወሲኹ ከምዘሎ፡ ከምኡ'ውን ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ተመዛበልቲ ንኣዋርሕ ረድኤት ረኺቦም ከምዘይፈልጡ ሓቢሩ። ውድብ ምግቢ ዓለም፡ ኣብ ትግራይ ልዕሊ 5 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባዪ ህጹጽ ረድኤት ኮይኑ ከምዘሎን፡ ሚልዮናት ንጥሜት ተቓሊዖም ከምዘለዉን ምግላጹ ይዝከር። ኣብ ካልኦት ክልላት'ኸ? ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ዓፋር፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት ኣብ ከባቢ ኪልበቲ [ዞባ 2] ብዝነበሩ ወተሃደራዊ ጐንጽታት ዝተመዛበሉ ሰባት'ኳ እንተለዉ፡ ድሕሪ መጋቢት 24 ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ግን፡ ዝኾነ ጐንጺ ከምዘይተርኣየ ሓቢሩ። እዚ ምምሕያሽ፡ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ልዕሊ 200 ሽሕ ተመዛበልቲ ረድኤት ንምብጻሕ ከምዝኽኣለ፡ እንተኾነ ውሑስ ኣብ ዘይኮነ ቦታታት ዝተመዛበሉ ሰባት ኣለዉ፡ ይብል እቲ ጸብጻብ። መራሕቲ ትግራይ፡ ሓይልታቶም ካብ ከባቢ ኢረብቲ ከምዝሰሓቡ ዘፍለጡ ኰይኖም፡ ካብ ዓፋር ጠቕሊሎም ንምውጻእ ቅድመ ኩነታት ኣንቢሮም ይርከቡ። ኣብ ክልለ ኣምሓራ ድማ፡ ኣብ ኣብዝሓ እቲ ክልል ተንቀሳቒስካ ረድኤት ናይ ምብጻሕ ኵነታት ተማሕይሹ ከምዘሎ ሓቢሩ። እንተኾነ ሕዚ'ውን ኣብ ገለ ምስ ትግራይ ዝዳወብ ከባቢታት ዋግ ህምራ፣ ዞባታት ሰሜን ወሎን ሰሜን ጎንደርን፡ ብሰንኪ ስግኣታት ጸጥታ፡ ተበጻሕነት ኣዝዩ በዳሂ ኾይኑ ከምዝቐጸለ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ብሓፈሻ ኣብቲ ክልል፡ ልዕሊ 400 ሽሕ ተመዛበልቲ ከም ዝርከቡ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61117880"} {"headline":"ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ኣብ ኢትዮጲያ ዘላቒ ምቍራጽ ተዅሲ ክግበር ጸዊዑ","content":"ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ኣብ ኲናት ኢትዮጲያ ተሳተፍቲ ዘለው ኵሎም ወገናት፡ ዘላቒ ዝዀነ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ክገብሩ ጻውዒት ኣቕሪቡ። መንግስቲ ኢትዮጲያ ናብ ክልል ትግራይ ዝበጽሕ ሰብኣዊ ረዲኤት ክቀላጠፍ ብዝብል፡ ካብ 15 መጋቢት 2014 ዓ.ም ኣትሒዙ ንዘተይተወሰነ ግዜ ዝጸንዕ፡ ግጭት ደው ከብል ድሕሪ ምውሳኑ፣ መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም፡ ናብ ትግራይ ዝልኣኽ ሰብኣዊ ረዲኤት፡ ብእኹል መጠንን ቅቡል ኣብ ዝዀነ ግዜን ዝቐርብ እንተዀይኑ፡ ነቲ ውሳነ ከተግብር ምዃኑ ከም ዝገለጹ ይፍለጥ። ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ኣብዚ ኲናት ተሳተፍቲ ዝዀኑ ኵሎም ወገናት፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ንኽባጻሕ ዝወሰድዎ ስጕምቲ ግጭት ምቍራጽ፡ ዝያዳ ብምድንፋዕ፡ \"ዘላቒ ናብ ዝዀነ ተዅስ ደው ምባል ንምብጻሕ ዘኽእል ኣድላዪ ስጕምቲ\" ክወስዱን፡ እቲ ኲናት ምሉእ ብምሉእ ንኸብቅዕን ዕድል ክፈጥሩን ጸዊዑ። መንግስቲ ኢትዮጲያ ነዚ ስጕምቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምእንቲ ሰብኣውነት ተባሂሉ ዝተወስደ ውሳነ፡ \"ኣብ ቀጻሊ ብዘይ ተወሳኺ ምፍሳስ ደም፡ እቲ ጎንጺንኽፍታሕ ዘኽእል ንክኸውን\" ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ'ሎ። ኣሜሪካ፡ ነዚ ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ዝተወስደ ውሳነ ምርኩስ ብምግባር፡ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት ኣብ ምዝርራብ ዝተመርኰሰ ዘላቒ ናብ ዝዀነ ተዅሲ ደው ምባል ስጕምቲ ክበጽሑ ጻውዒት ኣቕሪባ። ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ኢትዮጲያ ዘሎ ኲናት ክሳዕ ሕጂ፡ \"ኣብ ክልላት ዓፈር፡ ኣምሓራ፡ ቤንሻንጉል-ጉምዝ፡ ኦሮምያን\" ንዝርከቡ ሚልዮናት ሰባት ዘስካሕክሕ ስቅያት ዘስዓበ ምዃኑ'ውን ብምጥቃስ፡ እዚ ሕጂ ዝተወስደ ስጕምቲ፡ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት ብግብሪ ናብ ዘመሓይሽ ውሳነ ክቕየር ኣተሓሳሲቡ። ጉተረዝ ብተወሳኺ፡ ኣገልግሎት ባንኪ፡ ኤሌክትሪክ ቴሌኮሙኒኬሽንን ካልኦት ኣብ ትግራይ ተቛሪጾም ዘለው ህዝባዊ ኣገልግሎታት ክጅምሩ ሓቲቱ'ሎ። ኵሎም ወገናት፡ በብናይ ገዛእ ርእሶም ተበግሶ ቀረብ ረዲኤት፡ ግዳያት ናብ ዝዀኑ ወገናት ብህጹጽ ምእንቲ ክበጽሕ ከተሓጋገዙ'ውን ጸዊዑ። ኣብ ትግራይ ጀሚሩ ናብ ክልላት ዓፈርን ኣምሓራን ዝለሓመ፡ 16 ኣዋርሕ ኣቝጺሩ ዘሎ ሓድሕድ ኲናት ኢትዮጲያ፡ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ኣውሪዱ እዩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝገልጾ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጲያ፡ ኣስታት 10 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ሰብኣዊ ረዲኤት የድልዮም፤ 90% ኣብ ትግራይ ካብ ዝነብር ህዝቢ ድማ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ይደሊ። ብሰንኪ ኲናት፡ ቀረብ ረዲኤት ናብ ትግራይ ካብ ዝቋረጽ ኣዋርሕ ዝገበረ ኰይኑ፡ ከም ሳዕቤኑ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ንሓደጋ ጥሜት ከም ዝተቓልዑ፡ ትካላት ረዲኤት ክገልጻ ጸኒሐን። ብሰንኪ'ዚ፡ ኣሽሓት ሰባት ካብ ትግራይ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ከም ዝተሰደዱ'ውን መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣፍሊጡ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60885135"} {"headline":"ሕቡራት ሃገራት ንዝዓነወ ትሕተ ቕርጺ ትግራይ ንምህናጽ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተፈራሪሙ","content":"ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብታ ንኣስታት 20 ኣዋርሕ ብኲናት ዝደቐቐት ትግራይ፡ መንግስታዊ ኣገልግሎት ንምጅማር፡ ዘኽእል መደብ ሕውየት ትሕተ ቕርጺ ንምስላጥ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተፈራረመ ተገሊጹ። እቲ፡ ሎሚ ሚኒስተር ገንዘብ ኢትዮጵያ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝዓነዉ ትሕተ ቕርጽታትን ትካላትን ደጊሙ ንምህናጽ ንምሕዋይን፡ ብባንኪ ዓለም ዝምወል ኰይኑ፡ ብሳልሳይ ኣካል ዝትግበር ፕሮጀክት ከምዝፈረመ እዩ ኣፍሊጡ። እቲ መደብ፡ ነቶም ኣብ ትግራይ ተቛሪጾም ዘለዉ መንግስታዊ ኣገልግሎታት ንምጅምራ ዘኽእል ቅድመ-ኩነት እንትኸውን፡ ‘ምስ ህዝቢ እቲ ክልል ብምምኽኻር ዝትግበር’ ከምዝዀነ ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ ኣሎ። ከምኡ ድማ፡ እቲ መደብ ኣካል እቲ ባንኪ ዓለም ቅድም ኢሉ ብኲናት ንዝተሃሰዩ ከባብታት ኢትዮጵያን ግዳይ  ጾታዊ ንዝዀና ደቂ ኣንስትዮን ዝዓለመ ሓገዝ ከምዝዀነ ምፍላጥ ተኻኢሉ። ቅድም ክብል፡ ባንኪ ዓለም፡ ነቲ መደብ ዳግመ ህንጸትን ሕውየትን ከባብታት ግዳይ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ዝውዕል ናይ 300 ሚልዮን ዶላር ድጋፍ ምምዳቡ ምጽብጻብና ዝዝከር እዩ። ኲናት ትግራይ ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ፡ ኣብታ ክልል፡ ስልኪ፣ ባንክ፣ ኢንትርኔትን፣መብራህትን- መጓዓዝያን፡ ዝተቛረጹ ዀይኖም፡ መንግስቲ ፌዴራል፡  ከተማ መቐለ ተቖጻጺሩ ኣብ ዝጸንሐሉ እዋን፡ ገለ ግልጋሎታት ምሃብ ጀሚሮም ምንባሮምን፡ ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት መሊሶም ምቁራጾምን ይዝከር። ኣብታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ወርሒ ሰነ 2021 ጀሚሩ፡ ‘ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘይእዉጅ ዕጽዋ እትርከብ’ ዝበላ ትግራይ እዞም ዝተቛረጹ መንግስታዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ዘይምምላሶም ድማ፡ ነቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋዲድዎ ከምዘሎ ይገልጽ። ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ፡ ዝሐሸ መጠን ረድኤት ናብቲ ክልል ኣትዩ ከምዘሎ ዝንገር ኰይኑ፡ እንተዀነ ሰኣን ነዳዲ ናብቲ ረድኤት ዝጽበ ህዝቢ ናብ ወረዳታት ምብጻሕ ከምዝየተኽኣለ ይግለጽ። እቲ መግለጺ ሚኒስተር ፋይናንስ ከምዝብሎ፡ እዚ ሓድሽ ውጥን፡ ኣካል እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብብርኪ ሃገርለኸ ክትግበሮ ብባንኪ ዓለም ዝምወል መደብ ዀይኑ፡ “እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ክሳብ ዝመሓየሽ፡ ብሳልሳይ ኣካል ክትግበር’ ከምዝፈቐደ ይገልጽ። ነዚ መደብ ክትግብር ምስ መንግስቲ ተስማሚዑ ዘሎ ሳልሳይ ኣካል፡ ቤት ጽሕፈት ፕሮጀክት ኣገልግሎት ውድብ ሕቡራት ሃገራት [UNOPS] ዝተብሃለ ትካል ኮይኑ፡ እቲ ስርሑ መዓዝን ብኸመይን ከምዝጅምር ኣይተነጸረን። እቲ ኩነታት ምስ ዝመሓየሽ ድማ፡ እቲ መደብ ንመንግስቲ ከምዘረክብ ተሓቢሩ ኣሎ። ኣብዚ መደብ፡ ግደ ነቲ ክልል ዘመሓድር ዘሎ ውድብ እንታይ ከምዝኸውን ዘይተነጸረ ዀይኑ፡ ኣፈኛ ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ “እዚ ማለት፡ እንታይ ማለት ከምዝዀነ ክርደአኒ ኣይከኣለን. . . መልሲ ንምርካብ እጽበ ኣለኹ” ዝብል ሓጺር ርእይቶ ኣብ ትዊተሩ ኣስፊሩ ይርከብ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4nwl6ev54vo"} {"headline":"ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይዓይኒ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ኤርትራውያን ተቐቲሎም","content":"ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ መዓስከር ስደተኛታት ማይዓይኒ ብዝተፈፀመ ደብዳብ ኣየር፡ ሰለስተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝተቐተሉ ኣፍሊጡ። ካብ ሞንጎ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዝተቐተሉ ስደተኛታት እቶም ክልተ ህፃናት ከምዝኾኑ ዝገለጸ እቲ ትካል፡ ካልኦት ብዙሓት ከምዝቖሰሉ'ውን ሓቢሩ። ሓይልታት መንግስትን ሓይልታት ትግራይን መሰል ሲቪላውያን ከኽብሩ ድማ ሕቡራት ሃገራት ፀዊዑ ኣሎ። ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ ብምኽንያት እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ስደተኛታት ዒላማ ክኾኑ ኣይግባእን ኢሉ። ብረቡዕ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ናይ ድሮን መጥቃዕቲ የካይድ ከምዘሎን ሲቪላውያን ዕላማ ይኾኑ ምህላዎምን ከሲሱ ነይሩ። ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ርእሰ ከተማ ትግራይ ዝኾነት መቐለን ዝተፈላለዩ ለልኦት ከባብታት ትግራይን ተደጋጋሚ ደብዳባት ኣየርን ድሮንን ከካይድ ምጽንሑ ይፍለጥ። መንግስቲ እታ ሃገር ንዝገብሮ ተደጋጋሚ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ንመሰልጠኒ ሓይልታት ትግራይ ዒላማ ከምዝገብር እዩ ዝገልፅ። ካብ ቀረባ ግዘ ንነዘ ኣብ ከተማ መቐለ ብዝተፈፀሙ ተደጋገምቲ ናይ ኣየርን ድሮንን መጥቃዕትታት ብዙሓት ከምዝሞቱን ንብረት ከምዝዓነወን ሰብሞያን መሰኻኽር ዓይንን ንቢቢሲ ምግላፆም ይዝከር። እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቕጽል ዘሎን ኲናት፡ ህይወት ኣሽሓት ሰባት ቀዚፉ፣ ጠንቂ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ፣ ሚልየናት ካብ መንበሪ ቤቶም ኣመዛቢሉን ተጸበይቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ገይሩን ኣሎ። ኣብታ ኣብ ሙሉእ ዕፅዋ ትርከብ ትግራይ 6.3 ሚልየን ህዝቢ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ዝተገለፀ እንትኾን፡ ሕቡራት ሃገራት ድማ 'ዕላዊ ዘይኮነ ዕፅዋ ብመንግስቲ ተኣዊጁ' ከምዘሎ እዩ ዝኸስስ። ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ብዘይገደብ ክበፅሓ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክፈቅድ ብተደጋጋሚ ምሕታቶም ይፍለጥ። እቲ ኲናት ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣሎ? ንትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ናብ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ ድብዳበ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ካብ ኩሉ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝሰሓቡን እቲ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንክረክብ ዝዓለመ ምዃኑን ይገልፅ። መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ሒዝዎም ዘሎ ከባብታት ሒዙ ከምዝፀንሕን ናብ ትግራይ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከምዘየካይድን ኣፍሊጡ ኔሩ። ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝን ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይስን፡ እዚ ምዕባለታት ንሰላም በሪ ዝኸፍት ምኳኑ ገሊፆም ነይሮም። እንተኾነ፡ ኣብዚ እዋን እቲ ኲናት ዝርከበሉ ኩነታት ዘመልክት ጭቡጥ ሓበሬታ'ኳ እንተዘይተረኽበ፡ ኣብ ገለ ከባብታት ውግእ ከምዘሎ ይግለፅ። ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ትግራይ ናይ ኣየርን ድሮንን መጥቃዕትታት ከካይድ ምፅንሑ ፀብፃባት ይሕብሩ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59906996"} {"headline":"ኩሎም ወገናት ኲናት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ ደው ከብሉ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ","content":"ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባችሌት፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ብውሕዱ ድማ ኣብ ክልለ ዓፋር ብዘካየዶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ 304 ስቪላውያን እንትቕተሉ 373 ከም ዝቖሰሉን ኣፍሊጣ። ብሰንኪ እዚ ሰፊሕ ንብረት ሰላማውያን ከም ዝዓነወ'ውን ሓቢራ። ንሳ፡ ትማሊ ኣብ መበል 46 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቐረበቶ ጸብጻብ፡ ካብ ወርሒ 22 ሕዳር 2021 ክሳብ 28 ላካቲት 2022፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ድማ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕናን ኣብያተ ትምህርትን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ሓቢራ። ምስ ምስፋሕ ኲናት ትግራይ ተዛሚዱ፡ ኣብ ሰለስቲአን ክልላት ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዝርከብ'ውን ተዛሪባ። ብዘይካ'ዚ፡ ሚሊሻ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሞም ክትብል ከሲሳ። ኣብቲ መድረኽ ተረኺባ መልሲ ዝሃበት ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ጸብጻብ እታ ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ''ቅኑዕ ኣብ ዘይኮነ ተረኽ ዝተሞርኮሰ ገምጋም'ዩ'' ክትብል ተቓዊማቶ። ኢትዮጵያ ከቢድ ናይ ጸጥታ ጸገም ኣጋጢምዋ ከም ዘሎ ከም ዘይከሓድ ዝገለጸት እታ ወኪል እንተኾነ እቲ መግለጺ ንጻዕርታት መንግስቲ ኣብ ግምት ዘየእተወ እዩ ኢላ። እቲ ንሳ እትመርሖ ኮሚሽን፡ ምስ ኮሚሽን ሰባኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ኣብ ትግራይ 'ገበናት ኲናት' ክኾኑ ዝኽእሉ ግፍዕታት ምፍጻሞም ዝገልጽ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ብመራሕቲ ክልል ትግራይ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ቤት ምኸሪ ሰብኣዊ መሰላት ብወገኑ ነቲ ኣብ ትግራይን ኣብ ካልኦት ኢትዮጵያን ተፈጺሙ ዝበሃል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ደጊሙ ዘጻሪ ዓለምለኸ መርማሪ ጉባኤ ዝሰየመ ኮይኑ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ነዚ ተቓዊሞም ኣለዉ። ኣብ'ቲ ጸብጻብ፡ ኣብቶም ዝተጠቕሱ ኣዋርሕ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከበድቲ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘመልክቱ እሙን ጸብጻባት ከም ዝተረኽበ ይገለጽ። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2021 ጥራይ፡ ኣብ ከተማ ኣላማጣ ኣብ ዕዳጋን ኣብ ሆቴልን ብዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ፡ 120 ሰባት ከም ዝተቐትሉ፣ ኣብ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2022 ኣብ መዓስክር ስደተኛታትን ማይ ዓይኒን ኣብ ጊዝያዊ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ደደቢት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር 60 ሰባት እንትቕተሉ 169 ድማ ቆሲሎም ይብል። ካልኦት ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ብወገኖም፡ መጥቃዕቲታት ከም ዝፈጸሙ ኣብቲ ጸበጻብ ተኻቲቱ ይርከብ። 24 ጥሪ 2022 ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ዓፋር እረቢቲ፣ ዓብዓላ፣ በርሓለን መጋለን ኣብ ዝተባህሉ ከባብታት ሰላማውያን ሰባት ዝነብርሉ ከባብታት ብኸቢድ ብረት ኣጥቂዖም ክብል ይኸስስ። ኣስታት 844 ሰባት ቆስሎም ከም ዝተሓከሙ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ ዝሞቱ ሰባት ከም ዘለዉ እሙን መረዳእታ ከም ዝረኸበ'ኳ እንተገለጸ፡ ቁጽሪ መወትቲ ኣይጸርሐን። \"እቶም ቆሲሎም ዝተባህሉ ኩሎም ሰላማውያን ምንባሮም'ውን ከረጋግጽ ኣይከኣልኩን\" ኢላ ሚሸል። ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ 306 ደቂኣንስትዮ ብሓይልታት ትግራይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ዝብል ሓበሬታ ከም ዝበጽሖ'ውን ጠቒሳ። ካብተን ግዳያት፡ ዛጊድ ድጋፍ ዘይረኸባ ኣለዋ እውን ኢላ። ሰራዊት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕቲ ምፍናዉ ስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበሉ ማእከላት ጥዕናን ኣብያተ ትምህርትን ዕንወት ከም ዝበጽሐ፡ \"ብዓይንና ሪእና እሙን ሓበሬታ ድማ ረኺብና\" ኢላ። እቲ ጸብጻብ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን [36 ሆስፒታላት ሓዊሱ] ኣብ ልዕሊ ማእከላት ጥዕና መጥቃዕቲ ፈጺሞም ዝብል ካብ ሚኒስትር ጥዕና ዝወጽአ ሓበሬታ ድማ ጠቒሱ። እቶም ዝተጸርሑ መጥቃዕቲታት፡ ዓለም ለኸ ሕግታት ዝጥሕሱ ምዃኖም እታ ኮሚሽነር ሓቢራ። \"መንግስቲ፣ ሓይልታት ትግራይን ካልኦት ኣካላትን ከምዚ ዓይነት ጥሕሰት ካብ ምፍጻም ክቑጠቡ ደጊም የተሓሳስብ\" ኢላ። እታ ኮሚሽነር ኣብ ጸብጻባ: ካብ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ብሰንኪ ተጻብኦታትን ናይ ጸጥታ ጸገምን፡ ብዓፋር ኣቢሉ ናብ ትግራይ ረድኤት ከይሓልፍ ተዓጊቱ ከም ዘሎ ገሊጸ። \"[ኣብ ትግራይ] እናገደደ ይመጽእ ብዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣዝየ ሰንቢደ ኣለኹ\"። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ፡ ውድብ ምግቢ ዓለም፡ ብዝሒ ንጥሜት ዝተቓልዑ ሰባት ኣዝዬ ወሲኹ ከምዘሎን፡ 4.6 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዝኾኑን ምግላጹ ይዝከር። እቲ ጸብጻብ፡ ኣርባዕተ ካብ ሓሙሽተ ሰባት ንጥሜት ተቓሊዖም ከምዘለዉ እዩ ዘመልክት። ከምኡ'ውን፡ ፍርቂ ካብ መጥወበትን ነፍሰጹርን ኣዴታትን ሓደ ካብ ሸሞንተ ህጻናትን፡ ብጉድለት ምግቢ ማሲኖም ከምዝርከቡ ምጥቃሱ ዝዝከር እዩ። ዋጋ ሃለኽቲ ምግቢ ኣዝዩ ሰማይ ይስቀል ከም ዝሎ ዝጠቐሰት ኮሚሽነር ሚሸል፡ ኩሎም ተጻባእታቲ ሓይልታት፡ ሰብኣዊ ረድኤት ካብ ምዕጋት ክቑጠቡ ኣተሓሳሲባ። ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳያት ትግራይ፡ ናብቲ ክልል ረድኤት ብህጹጽ ክኣቱ እንተዘይክኢሉ፡ ህይወት ፍርቂ ህዝቢ እቲ ክልል ንሓደጋ ከምዝተቓለዐ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣጠንቂቑ ነይሩ። ኣብ ዓፋር ካብ ሓይልታት ትግራይ ተፈኒዉ ብዝበለቶ መጥቃዕቲ ዝተልዓለ፡ ዝተመዛበሉ ልዕሊ 300 ሽሕ ሰባት ድማ ሰብኣዊ ረድኤት ክረኽበሉ ኣብ ዘይኽእሉ መዕቑቢ ማእኸላት ከም ዝርከቡ ሓቢራ። ኣብቲ ጸብጻብ ዝቐረበሉ ዕለት ልዕሊ 15 ሽሕ ተራ ነበርቲ ተወለድቲ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ተኣዊጁ ዝነበረ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን፡ ከምዝተኣስሩ ምምዝጋቡ፡ ገሊኦም ይፍትሑ ምህላዎምን እቲ ጸብጻብ ይሕብር። ሚሸል ባቼለት እቶም ዛጊድ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ተወለድቲ ብስሩዕ መስርሕ ሕጊ ጉዳዮም ከምዝረአ ሚኒስተር ፍትሒ እታ ሃገር ኣረጋጊጹለይ ኢላ ኣላ። ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ሕድሕድ፡ ልዕሊ 16 ኣዋርሕ ዘቑጸረ ኾይኑ፡ ሰፊሕ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ይርከብ። ኩሎም ተጻባእቲ ሓይልታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሞም ክኾኑ ከም ዝኽእለሉ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገረት ይሕብሩ። ናብ ኣዲስ ኣበባ እናተጸግዑ ዝነበሩ ሓይልታት ትግራይ፡ ካብ ክልላት ኣምሓረን ዓፋርን ምውጸኦም ስዒቡ ተስፋ ተገይሩ እነተነበረ'ኳ፡ ዛጊድ ሰላማዊ ፍታሕ ኣይተረኸበን።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60568320"} {"headline":"ቅልውላው ኢትዮጵያ: ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ ረድኤት ክዝቲ’ዩ","content":"ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንኹነታት ኢትዮጵያ ዝምልከት ዘተ ሎሚ ሰኑይ ከካይዳ ምዃነን ተሓቢሩ። እቲ ባይቶ ኣብ ዘካይዶ ኣኼባ ጉዳይ ሰብኣዊ ረድኤት ዝዝተየሉ ኮይኑ፤ ቀንዲ ዛዕባ ከምዘይኮነ ግን ተፈሊጡ’ሎ። ኲናት ትግራይ ተወሊዑ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ክሳብ ዝለሓመሉ እዋን ንኢትዮጵያ ዝምልከቱ ልዕሊ 10 ጊዜ ኣኼባታት ከምዝተኻየዱ ይዝከር። ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንኽኻተት ዝሓተታ ዝሓተታ ኤስቶኒያ፣ ፈረንሳ፣ ኣየርላንድ፣ ኖርወይ፣ ብሪጣንያን ኣሜሪካን ኮይነን ኣብ መጠቓለሊ እቲ ኣኼባ ከምተወሳኺ ዛዕባ ክለዓል’ዩ። ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኩነታት ሰብኣዊ ረድኤት ዝምልከት ጸብጻብ ብሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት - ኦቻ - ማርቲን ግሪፍትስ መብርሂ ክቐርብ ትጽቢት ይግበር። ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን 9.4 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ረድኤት ከምዝኾኑ ውድብ ሕቡራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘውጽኦ ጸብጻብ የመልክት። እቲ ሓላፊ፡ ረድኤት ኣብ ምቕራብ ዘጋጠሙ ብድሆታት ብዝምልከት መብርሂ ዝህብ ኮይኑ፡ ኣባላት እቲ ባይቶ ድማ ነቶም ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ረድኤት ተፈጺሞም ዝተበሃሉ መጥቃዕትታትን ዝምታ ረድኤትን ከምኡ ድማ ብኹሎም ኣብቲ ኲናት ብዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ዝፍጸሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዘለወን መርገጺ ከፍልጣ’የን። ወሃቢ ቓል ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ዱጃሪክ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ኮምቦልቻ ንረድኤት ዝተዳለዉ ዝተፈላለዩ ቀረባት ረድኤት ብሓይልታት ትግራይን ነበርትን ከምዝተዘመቱ ተዛሪቡ ነይሩ። ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ግን ነቲ ተግባር ዝምታ ከምዘይፈጸምዎ’ዮም ኣፍሊጦም። ናይ ሎሚ ኣኼባ ነቲ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ምስቲ ኲናት ብዝተሓሓዝ ዝተፈጸሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዝምርምር ዓለምለኻዊ ኮሚሽን ክቐውም ምውሳኑ ስዒቡ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ኢትዮጵያ እቲ ዓለምለኻዊ ጉጅለ ክጣየሽ ንዝተወሰነ ውሳነ ብምቅዋም፤ እዚ ከኣ ነቲ ቅድሚ ኣዋርሕ ብልፍንቲ ኮሚሽናት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ሕቡራት ሃገራትን ንዝተኻየደ ምጽራይ ከምኡ’ውን ዝውሰዱ ንዝጀመሩ ናይ መእረምታ ስጉምትታት ከምዘተዓናቕፍ ትገልጽ። “ፖለቲካዊ ዕላማ ብምሓዝ” ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ጽዕንቶ ንምሕዳር ዝዓለመ ምዃኑ ብምግላጽ ድማ ምስቲ ዝጣየሽ መርማሪ ኣካል ምትሕብባር ከምዘይትገብር ኣፍሊጣ። ልዕሊ ሓደ ዓመት ዘቑጸረ ኲናት ካብ ትግራይ ሰጊሩ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብምልብዑ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝግመቱ ካብ መረበቶም ክፈናቐሉን ምኽንያት ኮይኑ’ሎ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59726180"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ገዛ ንእንሰርሖ ስራሕ ይከፈለና እንተዝብላ ክንደይ ይኸውን?","content":"ቆልዓ ምንባይ፣ መግቢ ምስራሕ፣ ጽርየት ገዛ ምሕላው፣ ማይ ምውራድ፣ ዕንጸይቲ ምእራይ፣ ዝሓመሙ ሰባት ምሕጋዝ . . . መብዛሕትኦም ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ገዛ ዝዓይኦም ስራሕቲ እዮም። ከም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝበሉ ትካላት እዚ ስራሕ ዘይኽፈሎ ናይ ምንባይ ስራሕ እዩ ክብሉ ይገልጹዎ። ዓለምለኸ ትካል ሰራሕተኛታት፡ ደቂ ኣንስትዮ ግዝኤን ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ስራሕቲ ክልተ ዕጽፊ ደቂ ተባዕትዮ ከም ዘሕልፋ ይጠቅስ። እዚ፡ ብማእኸላይ ኣብ መዓልቲ ሓሙሽተ ሰዓት ማለት እዩ። በዚ መሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት እዚ ስራሕ ከም ሓደ ዓውዲ ቁጠባ እንተዝቑጸር ዓውዲታት ንግዲ፣ መጓዓዝያን ሰንዓን ተደሚሮም ክረኽቡዎ ካብ ዝኽእሉ እቶት ክዛይድ ይኽእል ይብል። ትነበብ ብርሃነ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ኣብዚ ዙርያ ግንዛበ ናይ ምዕባይ ስራሕቲ ናይ ዝሰርሕ ትካል ኣክሽን ኤይድ እያ። \"ሓንቲ ኢትዮጵያዊት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ መዓልቲ 13 ሰዓት መስዋእቲ ትገብር\" ትብል። ብደረጃ ዓለም ድማ ደቂ ኣንስትዮ ዝሰርሕኦ ናይ ምንክብኻብ ስራሕ ብገንዘብ እንተተሚኑ ክሳብ \"11 ትሪሊዮን የውጽእ\" ትብል። ኣብ ኢትዮጵያ ዋላ'ውን መጽናዕቲ እንተዘይተኻየዶ እቲ ትካል ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ዝተወሰነ ዳህሳስ ከም ዝገበረ ብምግላጽ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ መዓልቲ እትሰርሖ ናይ ምንክብኻበ ስራሕቲ ኣብ ወርሒ ክሳብ 90 ሽሕ ብር ዝግመት ምዃኑ ትገልጽ። ብሰንኪ እዚ፡ ደቂ ኣንስትዮን ኣዴታትን መሰረታዊ መሰላትን ከይተጠቐማ እየን ዝተርፋ። ንኣብነት ካብ ቤት ትምህርቲ ይቦኽራ፣ ኣብ ጥዕንአን ጉድኣት ክበጽሐን ይኽእል፣ ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ኣገልግሎታት ክስእና ይኽእላ፣ ከምኡ'ውን ንነብሰን ኣብ ምዕባይ ክጥቀማለ ዝግበአን ግዜ ይሻወመን ብምባል ተረድእ። እዚ ብዙሕ ግዜን ጉልበትን ዝጠፍኣሉ ስራሕ ግን ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረሰተብ ኣፍልጦ ዘይምርካቡ ጥራይ ዘይኮነ ከም ስራሕ እውን ዘይርኣይ ምዃኑ ይልዓል። እታ ዳይሬክተር ወሲኻ እዚ ከም ስራሕ ዘይምውሳዱ ሓደ ምንጪ እቲ ጸገም ከም ዝኾነ ብምግላጽ ሓንቲ ኣብ ገዛ እትውዕል ጓል ኣንስተይቲ ስራሕኪ እንታይ'ዩ ተባሂላ ክትሕተት እንከላ፡ ስራሕ የብለይን ኢላ እያ ትምልስ ትብል። ትካል ሰራሕተኛታት ዓለም፡ እዚ ዘይኽፈሎ ስራሕ ብማእኸላይ 75 ሚኢታዊት ብደቂ ኣንስትዮ ዝስራሕ ምዃኑ የመልክት። እዚ ድማ ኣብ ሞንጎ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ማዕረ ምክፍፋል ስራሕ ከም ዘየለን ደቂ ኣንስትዮ ኣርባዕተ ዕጽፊ ደቂ ተባዕትዮ ከም ዝሰርሓን ይጠቅስ። 70 ሚኢታዊት ኣብዚ ስራሕ ዝተዋፈራ ደቂ ኣንስትዮ ትሑት እቶት ኣብ ዘለዎ ክፋል ሕብረተሰብ ዝርከባ ምዃነን ዳይሬክተር ኣክሽን ኤይድ ትነበብ ትገልጽ። ተሓለቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ብደረጃ መትከል እዚ ስራሕ ብገንዘብ ተተሚኑ ደቂ ኣንስትዮ ክኽፈለን ኣለዎ ይብሉ። ሰብ ሞያ ቁጠባ ብዝህቡዎ ግምት ድማ ከም ኣርጀንቲና ኣብ ዝበላ ሃገራት እዚ ንቑጠባ እታ ሃገር [ጂዲፒ] 7 ሚኢታዊት ኣበርክቶ ከም ዘለዎ ይገልጹ። ብፍላይ ኣብ ገጠር ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ነዊሕ ሰዓታት ኣብዚ ስራሕ ዘሕልፋ ኮይነን ኣብ ከተማ ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ እውን ተቖጺረን ደሞዝ ንምርካብ ኣብዚ ስራሕ ይዋፈራ እየን። ስለዚ ንኣዴታትናን ኣሕዋትናን ደሞዝ ክንከፍለን'ዶ ኣለና? ኣብ ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ኣክሽን ኤይድ ትነበብ፡ መጀመርታ እዚ ስራሕ ምዃኑ ኣፈልጦ ክወሃቦ ኣለዎ ትብል። \"ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ገዛ ትውዓል፣ ኣብ ቤት ጽሕፈት ትስራሕ፣ ኣብ ማሕረስ ትውዓል ኣብ ካልእ ስራሕ ኣለዋ ኢና ንብል። ከም መራሒ ስድራ ሓደ ወዲ ተባዕታይ ደሞዝ ዝረኽበሉ ስራሕ ወዲኡ ናብ ገዛ ክኣቱ እንከሎ፡ ከዕርፍ ይኽእል እዩ። እታ ጓል ኣንስተይቲ ግን ካብ ስራሕ ተመሊሳ'ውን ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ዝጸንሕ ተወሳኺ ስራሕ ኣብ ገዛ ይጽበያ እዩ። እዚ መጀመርታ ክፍለጥ ኣለዎ\" ኢላ። \"ኣቦታት፣ ኣሕዋትን ሰብኡትን ኣብዚ ስራሕ እንተተዋፊሮም፡ ሸኽሚ ካብ ምቅላል ሓሊፉ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓርሰ ህንጸት ትኹረት ክገብራ ይሕግዝ እዩ\" ኢላ። ንሳ ከም እትብሎ፡ ንኣብነት መግቢ ምስራሕ ክልቲኦም ክመሃሩዎ ዝግባእ ክእለት እዩ። ብተወሳኺ እዚ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ዘለዎ ተራ ብመጽናዕቲ ክረጋገጽ ከም ዘለዎ ትሕብር። በዚ መገዲ ደቂ ኣንስትዮ ተጠቀምቲ ዝኾናሉ ስርዓት ክፍጠር ከም ዝኽእል ኣረዲኣ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60822599"} {"headline":"ኣብ የመን ኣማኢቲ ትሕተ ዕድመ ወተሃደራት ሞይቶም - ጉጅለ መርመርቲ ሕቡራት ሃገራት","content":"ኣብ 2020: ብዕጡቓት ሑቲ ንውትህድርና ዝተመልመሉ 1500 ትሕቲ-ዕድመ ቆልዑ፡ ኣብ ውግእ ከምዝሞቱ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ካልኦት ኣማኢቲ ድማ ዓመተ 2021 ከምዝሞቱ ወሲኹ ሓቢሩ። መርማሪ ጉጅለ ሰብ-ሞያ፡ ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝበሎ፡ እቲ ብረት ኣልዒሉ ንመንግስቲ ዝዋጋእ ዘሎ ጉጅለ ሑቲ፡ ብመገዲ መስጊድን መዓስክራትን ኣቢሎም ኣተሓሳስበኦም ንምስራጽ ዝፍትኑ ኾይኖም፤ ሕዚ'ውን ሓደሽቲ ህጸናት ኣብ ምምልማል ይርከቡ ኢሎም። ብስዑዲ ዝምራሕ ጥምረት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ደብዳብ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ'ውን ሓቢሮም። በቲ ኣብ 2015 ዝተወለዐ ኲናት፡ ዛጊድ ልዕሊ 10 ሽሕ ቆልዑ ሞይቶም ተባሂሉ። ከምኡ'ውን ብዓሰርተ ኣሸሓት ዝቑጸሩ ንዓቕመ ኣዳም ዝበጽሑ ብሰንኪ እቲ ኲናት ህይወቶም ከምዝሰኣኑን፡ ሚልዮናት ድማ ተመዛቢሎም ንሓደጋ ጥሜት ተቓሊዖም ከምዝርከቡ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብቲ በዓል 300 ገጽ ጸብጻብ፡ ጉጅለ እቶም መርመርቲ፡ ብሑቲ ዝተመልመሉን ኣብ'ቲ ናይ 2020 ውግእ ዝሞቱን ዝርዝር ናይ 1406 ቆልዑ ዝረኸበ ኾይኑ ካልኦት 562 ድማ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 2021 [ኣቆጻጽራ ኣውⶂጳ] ከምዝሞቱ ኣረጋጊጸ ኢሉ። ኤፒ ነቲ ኣርባዕተ ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ መርመርቲ ጠቒሱ ከምዝበሎ፤ እቶም ህጻናት ዕጡቓት 'ሞት ንኣመሪካ'፣ 'ሞት ንእስራኤል'፣ 'መዓት ንኣይሁድ' ከምኡ'ውን 'ዓወት ንእስላም' ኢሎም ክጭርሑ ይገብሩ ነይሮም። \"ኣብ ሓደ መዓስክር ስደተኛታት ሸውዓተ ዓመት ዕድሚኡ ህጻን ከይተረፈ ኣጽዋራትን ሮኬታትን ከፈትሕን ከጽርን ይስልጥን ነይሩ\"። እቲ ጉጅለ፡ ኩሎም ወገናት ቤት ትምህርቲ፣ መስጊድን መዓስክራትን ተጠቂሞም ህጻናት ንውትህድርና ካብ ምምልማል ክቑጠቡ ተማሕጺኖም። እቶም ንርእሰ ከተማ ሰንዓ ዝተቖጻጸሩ ዕጡቓት ሓይልታት ሑቲ፡ ካብቲ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተነብሮም ማዕቀብ ተሓቢኦም ኣጽዋራት ንምርካብ ዓለመለኸ ሰንሰለት ከምዝተጠቕሙ ድማ ኣብሪሁ። ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ሑቲ ኣብ ልዕሊ ኢሚራት ዓረብ መጥቃዕቲ ድሮን ካብ ዝፍጽሙ ንደሓር ውግእ ተጋዲዱ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብ 21 ጥሪ ድማ፤ ኣብ ሓደ ኣብ ቀንዲ ግዝኣት ሑቲ ዝርክብ ቤት ማእሰርቲ ብዝተፈጸመ ማጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 70 ሰባት ዝሞቱ ኾይኖም፤ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣመሪካን እቲ ተጻብኦታት ከብቅዕ ይጠልቡ ኣለዉ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60151004"} {"headline":"ኤርትራ ስለምንታይ ኣንጻር ናይቲ ንሩስያ ዝኹንን ሓድሽ ውሳነ ሕቡራት ሃገራት ከምዘድመጸት ገሊጻ","content":"ኤርትራ፡ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ሰብኣዊ ቅልውላው ኲናት ዩክረይን ዘጽደቖ ሓድሽ ውሳነ \"ፖለቲካዊ\" ቃና ዘለዎ'ዩ ብምባል ከምዘይደገፈቶ ኣፍሊጣ። እቲ ትማሊ ዝጸደቐ ውሳነ፡ ን\"ወራር ሩስያ ኣንጻር ዩክረይን ዘኸተሎ ሰብኣዊ ሳዕቤናት\" ዝምልከት ኮይኑ፡ ቆልዑን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ሲቪላውያን፡ ሰራሕተኛታት ረዲኤት፡ ጋዜጠኛታት፡ ሓካይምን መሳርሒታቶምን ምሉእ ውሕስነት ክረኽቡ ዝጽውዕ'ዩ። ሲቪላውያን ዝጥቀምሉ ትካላት ጥዕና ይኹን መጓዓዝያ ዝርከቦ ትሕተ-ቅርጺ'ውን ካብ ዕንወት ክድሕን ዝብሉ ነጥብታት'ውን ኣብቲ ውሳነ ሰፊሮም ኣለዉ። እቲ ውሳነ ደገፍ ናይ 140 ሃገራት ክረክብ እንከሎ፡ ሓሙሽተ ሃገራት (ኤርትራ፡ ሩስያ፡ ሶርያ፡ ሰሜን ኮርያን ቤላሩስን) ተቓዊመንኦ፡ ዝተረፋ 38 ድማ ድምጸ-ተዓቅቦ ሂበናሉ ኣለዋ። ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ እማመ ንሩስያ ከምወራሪት ወይ እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ሳዕቤን ናይቲ ሩስያ ዝኣወጀቶ ኲናት ተባሂሉ ብምጥቃሱ ሃገሩ ክትድግፎ ከምዘይክኣለት ገሊጹ። \"ኤርትራ ንሰብኣዊ ጉዳይ ፖለቲካዊ ቃና ምሃቡ፡ ቀንዲ ሰብኣዊ ኩነታት ህዝብታትን ሃገራትን ንምፍታሕ ዝዕንቅጽ'ዩ\" ክብል'ውን ተዛሪቡ። ኣብ ክንድኡ፡ ኤርትራ ነቲ ንሩስያ ዘይጠቅስ ብደቡብ ኣፍሪቃ ዝቐረበን ተቐባልነት ዘይረኸበን እማመ ከምእትድግፍ ገሊጻ። እዚ ሓድሽ ውሳነ ናይ ኩለን ሃገራት ደገፍ ክረክብ'ኳ እንተዘይክኣለ፡ 140 ሃገራት ዝደገፍኦ ምዃኑ \"ሞስኮ ኣንጻር ዩክረይን ተካይዶ ዘላ ተጻብኦታት ብህጹጽ ደው ከተብሎ ዝጽውዕ ጠለብ ማሕበረሰብ ዓለም ምዃኑ ዘርኢ'ዩ\" ክብል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣስሚሩሉ። ኤርትራ ነቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ መጋቢት ዝሓለፈ፡ ንወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዝኹንን ውሳነ ብምንጻግ'ውን ጸግዒ ሩስያ ዝወሰደት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ምዃና ይዝከር። ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዝወሃበሉ እዋን፡ መትከላት ሰባውነትን ዘይሻራውነትን ክረጋገጽ ኣለዎ ዝበለት ኤርትራ፡ \"ኩሎም ወገናት ናይቲ ግጭት\" ድሕነት ኩሎም ሲቪላውያን፡ እንኮላይ ኣፍሪቃውያን ዜጋታት ክሕልዉ ተማሕጺና። \"እቲ ግጭት ብዝርርብን ዲፕሎማስን ሰላማዊ ፍታሕ\" ክርከበሉ ብምጽዋዕ ድማ፡ \"እንኮ-ቀጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት\" ንምፍጣር ኣንጻር ሩስያ ወፍርታት ምግባር ሓደገኛ'ዩ ኢላ። \"ሰላማዊ ዓለማዊ ስርዓት ምእንቲ ክህሉ በቲ ልኡላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ምሉእ ብምሉእ ዝኽበረሉ ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ክንምራሕ ኣለና\" ክትብል ኤርትራ ትምጉት። ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝኣወጀቶ ሰፊሕ ዕንወትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ዘስዓበ ኲናት፡ ሕጂ'ውን ይቕጽል ኣሎ። ብሰንኪ'ቲ ኲናት ኣስታት 10 ሚልዮን ሰባት ካብ ኣባይቶም ከምዝተፈናቐሉን፡ ኣስታት 3 ሚልዮን ካብኦም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከምዝሃደሙን ጸብጻባት ይሕብሩ። ሕቡራት ሃገራት ከምዝበሎ፡ ዛጊት ልዕሊ 1000 ሲቪላውያን ከምዝተቐትሉ ተረጋጊጹ'ሎ። ኣመሪካ ንሰብኣዊ ቅልውላው ዩክሬናውያን ንምቅላል ሓደ ቢልዮን ዶላር ከምእትህብ ከተፍልጥ እንከላ፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ካናዳን ብሪጣንያን ዝርከብዎም ወገናት'ውን ደገፋቶም ክቕጽሉ ምዃኖም ተመባጺኦም ኣለዉ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60880677"} {"headline":"ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ንዝተፈጸመ ግህሰታት ዘጻሪ ኮሚሽን ክምስረት ወሲኑ","content":"ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብቲ ሓደ ዓመት ዘቑፀረ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ንዝተፈፀሙ ግህሰታት ዝምርምር ዓለም ለኻዊ ኮምሽን ክጣየሽ ወሲኑ። ኣብ ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝዘተየ እቲ ኣብ ስዊዘርላንድ፡ ከተማ ጀነቫ ዝመደበሩ ቤት ምኽሪ፡ ኩሎም ተፃባእቲ ሓይልታት ሕዚ'ውን ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍፅሙ ከምዘለዉ ገሊፁ። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ብዙሓት ኣካላት ናብ ዝሳተፍሉ ጎንፂ ከምርሕ ከምዝኽእል'ውን እቲ ቤት ምኽሪ ኣጠንቂቑ። በቲ ተፈጺሙ ዝብሃል ከቢድ ምግሃስ መሰላት ዝኽሰሳ ኢትዮጵያን ኣባል ናይቲ ቤት ምኸሪ ዝኾነት ኤርትራን ንምምስራት ናይቲ ኮሚሽን ካልእ \"ፖለቲካዊ ሃቐነ\" ኣለዎ ብምባል ተቓዊሞንኦ ኣለዋ። ኣብቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ድሕሪ ምልሓሙ ናብ ሓፈሻዊ ኲናት ሓድሕድ ኣምሪሑ ምህላዉ ይፍለጥ። እቲ ሰለስተ ኣባላት ዝህልውዎ ኮሚሽን ናይ ሓደ ዓመት ዕድመ ክህልዎ ምዃኑ እማመ ናይቲ ቤት ምኽሪ ይጠቅስ። ኣባላት ናይቲ ኮሚሽን ብፕረዚደንት ናይቲ ቤትምኽሪ ክሕረዩ ምዃኖም እቲ እማመ የረድእ። \"ነቲ ካብ 3 ሕዳር 2020 ኣትሒዙ ኣብ ኢትዮጵያ ብኹሎም ወገናት ተፈጺሙ ዝብሃል ክስታት ዓመጻትን ምጥሓስ ዓለምለኻዊ ሕግታት ሰባዊ መሰላትን ዓለምለኻዊ ሕግታት ሰብኣውነትን፡ ከሙ'ውን ዓለምለኻዊ ሕግታት ስደተኛታት ምሉእን ዘይሻራውን መርመራ\" ከካይድ ዝምዘዝ ምዃኑ እቲ ሰነድ ይገልጽ። ኣብቲ ግጭት ክሳተፉ ዝጸንሑ ብሓይልታት ጸጥታ ክልላት ኢትዮጵያ ዝድገፍ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ሓይልታት ትግራይን፡ ጃምላዊ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ዝርከቦ ከቢድ ምግሃስ መሰላት ፈጺሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ። እቲ ቤት ምኽሪ ነዚ ብሕብረት ኣውሮጳ ዝቐረበ እማመ፡ ብ21 ድጋፍ፣ 15 ተቓውሞን 11 ድምፀ ተዓቅቦን ኣፅዲቕዎ ኣሎ። ዓባይ ብሪጣንያ፣ ሰሜን ኣየርላንድ፣ ኣርጀንቲና፣ ኣርመንያ፣ ጀርመን፣ ኦስትርያ፣ ባሃማስ፣ ባሕሬን፣ ብራዚል፣ቡልጋርያ፣ ቸክ ሪፐብሊክ፣ዴንማርክ፣ ፊጂ፣ ፈረንሳይ፣ ጣልያን፣ ጃፓን፣ ማርሻል ኣይላንድስ፣ ሜክሲኮ፣ኔዘርላንድስ፣ ፖላንድ፣ ሪፐብሊክ ኦፍ ኮርያ፣ ዩክሬንን ኡራጋይን፡ ነቶም ዝተፈፀሙ ግህሰታት ዘጻሪ ኮምሽን ክቐውም ድጋፈን ዝሃባ እየን። ኤርትራ፣ ቻይና፣ ሩስያ፣ ሶማልያ፣ ህንዲ፣ ኮትዲቫር፣ ኩባ፣ ካሜሮን፣ ቡርኪናፋሶ፣ ጋቦን፣ ናሚብያ፣ ፓኪስታን፣ ፊሊፒንስን ቬንዝዋላን ድማ ነቲ እማማ ተቓዊመንኦ። ሃገራት ሱዳን፣ ባሕሬን፣ ባንግላዲሽ፣ ኢንዶኖዥያ፣ ሊቢያ፣ ማላዊ፣ ሞሪታንያ፣ ኔፓል፣ ሰኔጋል፣ ቶጎን ኡዝበኪስታንን ዝኣመሰላ 11 ሃገራት ድምፀ ተዓቅቦ ክገብራ መሪጸን። ቅድም ክብል ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃራትን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብሓባር ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ተዛሚዱ ዝተፈፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ዝምልከት ዘካየድዎ ምርመራ ኣብ ቀረባ ወግዓዊ ምግባሮም ዝዝከር እዩ፡፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንውፅኢት እቲ ምርመራ ብኣወንታ ዝተቐበሎ ኮይኑ፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብቲ ምርመራ ክሳተፍ ከምዘይብሉ ክገልፁ ዝፀንሑ መራሕቲ ትግራይ ግና ነፂጎምዎ እዮም። ብመሰረት እቲ ሓድሽ ዝጣየሽ ኮምሽን፡ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ተዛሚዱ ዝተፈፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ዳግማይ ክፃረዩ እዮም። ቅድም ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ናይ ሎሚ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት \"ፖለቲካዊ ሃቐነ\" ዘለዎ እዩ ክብል ተቓዊሚዎ ኔሩ። እቲ ቤት ምኽሪ ግን፡ እዚ ሓድሽ ኮሚሽን ነቲ ክካየድ ዝጸንሐ ሓባራዊ መርመራ \"ዝምልእ\" ምዃኑ ኣነጺሩ'ሎ። ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝጀመረ ኵናት፡ ሓይልታት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፌደራል መጥቃዕቲ ምስ ፈነዉ መንግስቲ ስርሒት ሕጊ ምኽባር ብምባል ኵናት ምስ ኣወጀ፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ብዘይምቁራጽ ኣብ ምክያድ ይርከብ። ሰራዊት ፌዴራል ኣብ መጀመርታ ሰሙናት ናይቲ ኵናት ብዙሓት ከተማታት ትግራይ ብምቁጽጻር 28 ሕዳር 2020 ንርእሰ ከተማ እታ ክልል ክቆጻጸርዋ ክኢሎም ነይሮም። ኣብ በረኻታት ኮይኖም ደባይ ውግእ ዝጀመሩ ሓይልታት ትግራይ ድማ ዳግማይ ብምውድዳብ ኣንጻር ሰራዊት ፌደራልን ኣብ ጎኑ ዝተሰለፉ ሓይልታት ኣምሓን ኤርትራን መጥቃዕቲ ብምፍናው፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሰነ ንከተማ መቀለን ካልኦት ከተማታት ትግራይን ብምቁጽጻር ላዕለዋይ ኢድ ናይቲ ኵናት ክሕዙ ጀሚሮም። ምስ ምትሓዝ መቐለ በይንኣዊ ምቁራጽ ቶኵሲ ብምእዋጅ ካብ መብዛሕትኡ ክፋል ክልል ትግራይ ዝወጽአ ሰራዊት ፌደራል፡ ናይ መከላኸሊ ዕርዱ ኣብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን'ዃ እንተገበረ፡ ገስጋስ ሓይልታት ትግራይ ግን፡ ክሳብ እታ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣስታት 130 ኪሎ ሜትር ርሒቃ እትርከብ ከተማ ደብረሲና ዝብጸሑ ዓጋቲ ኣይነበሮን። በዚ ኸኣ እቲ ኵናት ካብ ክልል ትግራይ ሰጊሩ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን'ውን ክልሕም ክኢሉ። ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ኩሎም ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ክሳብ ገበናት ኵናት ክብሃል ዝከኣል፡ ጾታዊ ዓመጽ፣ ቅትለት፣ ምስዋርን ካልእን ዝርከቦ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸሙ እዮም ዝገልጹ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕቡራት ሃገራት 100 ገጽ ዘለዎ ጸብጻብ ኣብ ዘቅረበሉ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ደብዳብ ከተማታት፣ ቅትለት ሰላማውያን ሰባት፣ ጾታዊ ዓመጻትን ካልእን ዝርከቦም ዓበይቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝተፈጸሙ ምግላጹ ይዝከር። ትማሊ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስዎችን ኣብ ዘውጽኡዎ ሓበራዊ ጸብጻብ፡ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ምዕራብ ትግራይ 'ሓድሽ ማዕበል ግፍዕታት' ፈጺሞም ክብሉ ከሲሶም። ኣብቲ ግፍዕታት ይካየደሉ ኣሎ ዝብሃል ቦታታት መስመራት መራኸቢታት ስለ ዘየለን ትካላት ሕቡራት ሃገራት ናብቲ ቦታ ክኣትዋ ስለ ዘይተፈቐደለንን እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ብንጹር ክፍለጥ ኣይተኻኣለን ዘሎ። ሕብረት ኣውሮጳ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ቦታ ተወሳኺ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከይፍጸም ክቆጻጸር ሕጋዊ ስልጣን ከም ዘለዎ ብምዝክኻር፡ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ ዝብሃል ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተጻሪ ዓለምለኻዊት ጉጅል ከቑማ ጸዊዑ ነይሩ። ኢትዮጵያ ነቲ ብሕብረት ኣውሮጳ ዝቐረበ ጻውዒት 'ፖለቲካዊ ድፍኢት' ዘለዎ'ዩ ብምባል ኣብቲ እማመ ዘለዋ ተቃውሞ ምስማዓ'ውን ይፍለጥ። ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስትን ክልል ትግራይን ውግእ ካብ ዝኽፈት ክሳብ ሕጂ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ኣብ ክልል ትግራይ ብጥሜትን ዓጸባን ተጠቒዖም ምህላዎም ጸብጻባት ወሃብቲ ረድኤት ትካላትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ክገልጹ ጸኒሖም ኣለው። እቲ ግጭት ናብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ምስ ለሓመ ከኣ ኣብ ክልቲኡ ክልላት ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢሙ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣስታት 1.1 ሚልዮን ህዝቢ ካብ ቤት ንብረቱ ክፈናቐል እንከሎ 5.6 ሚልዮን ድማ በቲ ግጭት ከም ዝተጸልወ ይሕበር። ኣብ ክልል ዓፋር እውን ኣስታት 260 ሽሕ ህዝቢ በቲ ግጭት ክጽሎ እንከሎ 100 ሽሕ ዝኸውን ህዝቢ ድማ ከም ዝተፈናቐለ ይጥቀስ። ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ቢልለኔ ስዩም፡ ናብ ትግራይ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ሰብኣዊ በረራታት ዳግም ከም ዝጀመረን ንትካላት ረዲኤት ንመንቀሳቐሲ ዘድልዮም ልዕሊ 40 ሚልዮን ብር ጥረ ገንዘብ ናብቲ ክልል ከእትዉ ከም ዝተፈቕደሎምን ምሕባራ ይዝክር።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59694843"} {"headline":"ምብጻሕ ሓያሎ ላዕለዎት ሰብመዚ ሕቡራት ሃገራት ናብ ኤርትራ እንታይ ዝዓለመ’ዩ?","content":"መንግስቲ ኤርትራን ሕቡራት ሃገራትን ሓድሽ ናይ ምትሕብባር መቓን ስራሕ (framework) ንምጅማር ብምውሳኖም ዞባዊ ዳይሬክተራት ሕቡራት ሃገራት ናብታ ሃገር ምብጻሕ ንምፍጻም ከምዝኣተው ተገሊጹ። ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ \"24 ላዕለዎት ዞባውያን ሓለፍቲ ኣብያተ ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ዝኣባላቱ ልኡኽ ናብ ኣስመራ ኣትዩ ኣሎ\" ኢሉ። እቲ ጉጅለ ብዳይሬክተር ቤትጽሕፈት ምውህሃድ ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ዞባ ኣፍሪቃ ዝተመርሐ ኮይኑ፡ ዞባውያን ወከልቲ ቤትጽሕፈት ላዕለዋይ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቁጠባዊ ኮምሽን ንኣፍሪቃ፣ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ዕጸ-ፋርስን ገበናት ስግረ-ዶብን፣ ዩ-ኤን-ኤፍ-ፒ-ኤ፣ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ከምኡ'ውን ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ከምዝርከብዎም እቲ መግለጺ ሓቢሩ። እቲ ንሓሙሽተ መዓልትታት ኣብ ኤርትራ ክጸንሕ ምዃኑ ዝተገለጸ ልኡኽ ኣብቲ ብ25 ጥሪ ዝካየድ ብመንግስቲ ኤርትራን ሕቡራት ሃገራትን ዝተወደበ ወግዓዊ ጽምብል ምጅማር ሓድሽ 'መቓን ስራሕ ዘላቒ ልምዓት ሕቡራት ሃገራት' ክሳተፍ እዩ። እቲ ኣገዳስነቱ ልዑል ምዃኑ ዝተገለጸ ምትሕብባር ኣብታ ሃገር ቀዳምነት ምስ ዝወሃቦም ጉዳያት ዝሳነን ኣብ ኤርትራ ንዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋጽ ዝሕግዝ ምዃኑን እቲ ሓበሬታ የረድእ። እቲ ልኡኽ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን እታ ሃገር ከምዝራኸብን ኣብ ዞባ ደቡብ ብመንግስቲ፡ ብሕቡራት ሃገራትን ካልኦት መሻርኽትን ንዝተኻየዱ ልምዓታዊ ንጥፈታት'ውን ክዕዘብ እዩ። ነቲ ልኡኽ ዝመረሕ ዘሎ ዞባዊ ዳይሬክተር ቤትጽሕፈት ምውህሃድ ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ንኣፍሪቃ፡ ያቆብ ኤል ሂሎ፡ ብሕብረት ዝግበር ጻዕርታት ሕቡራት ሃገራት ነቲ ምስ ኤርትራ ዝግበር ሽርክናን ንኣጀንዳ 2030 ከምኡውን ሸቶታት ዘላቒ ልምዓትን ንምዕዋት ኣገዳሲ ምዃኑ ምግላጹ እቲ ሓበሬታ የረድእ። ኤርትራ ኣብ መዳይ ጥዕናን ኣብ ሸቶታት ልምዓት ሚለንየም ንዘመዝገቦ ዓወት ኣብ ኣጀንዳ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት 2030 ንምድጋሙ ኣንቂዳ ምህላዋ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዳይሬክተር ፖሊሲን ውጠናን ኣቶ ተወልደ ዮውሃንስ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይ ዝሓለፈ ዓመት ምግላጹ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ዝወጸ ሓበሬታ የረድእ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ 1991 ኣብ 100 ሽሕ ኣዴታት ዘጋጥም መጠን ሞት ካብ 1000 ናብ 485 ክጎድል እንከሎ፤ መጠን ሞት ዕሸላት ካብ 117 ናብ 44 ጎዲሉ ኣሎ። ብዘይካ'ዚ 95% ነፍሰጾር ኣዴታት ሕክምናዊ ክትትል ከምዝገብራን ሸፈነ ክታበታት ኣብ መላእ እታ ሃገር 94% በጺሑ ምህላው እቲ ሚኒስትሪ የረድእ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ ሓያሎ ካልኦት መዳያት ልምዓትን ቁጠባን እታ ሃገር ብዙሕ ከምዘይተዓወተት ፕረዚደንት ኢሳያይስ ኣብዚ ቀረባ እዋን ተዛሪቡ ነይሩ። ብዙሓት ነቐፍቲ መንግስቲ'ውን፡ መንግስቲ ግሉጽነት ዘይብሉ ብምዃኑ፡ ነቲ ተዓዊተሉ ዝብሎ መዳያት ክኣምንዎ ከምዘጸግሞም ይገልጹ። ኣብታ ሃገር ዘሎ ድኹም ስርዓተ-ባንክ፡ ብኩራት ስሩዕን ግሉጽን ስርዓተ-ባጀት፡ ፖለቲካዊ ተሓታትነት ዘይምህላውን፡ ጸጥታዊ ዘይምርግጋእን ካብ ቀንዲ ረቛሒታት ምድኻም ቁጠባውን ማሕበራውን ሂወት ዜጋታት ምዃኑ ኪኢላታት ክምጉቱ ጸኒሐም'ዮም። ዘላቒ ሸቶታት ሕቡራት ሃገራት እንታይ እዩ? ኣብ 2015 ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዙርያ ዓለም ድኽንት ንምውጋድ፡ ፕላኔት መሬት ንምክንኻንን ብልጽግና ንኹሉሰብ ንምርግጋጽን ዝዓለሙ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ወጢኑ። ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ኣብ ዙርያ ዓለም ድኽነት ንምውጋድ፣ ንኣከባብን ክሊማን መሬት ንምዕቃብ ከምኡ'ውን ሰባት ኣብ ዝሃለው ሃልዮም ሰላምን ብልጽግናን ከም ዘስተማቕሩ ንምርግጋጽ ዝተገብረ ዓለማዊ ጻውዒት እዩ። እቶም 17 ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ነፍሲ ወከፍ ሃገር ንፕላኔት መሬት ንምክንኻን ክሰርሓ ዝድርኽ 169 ዒላማታት ዘለዎም እዮም። እቶም 17 ሸቶታት፦ ድኽነት ምውጋድ፣ ጥምየት ምጥፋእ፣ ጽቡቕ ጥዕናን ድሕነት፣ ብቑዕ ትምህርቲ፣ ጾታዊ ማዕርነት፣ ጽሩይ ማይን ጽሬትን፣ ንምኽፋሉ ዚከኣልን ጽሩይን ጸዓት፣ ቅቡል ስራሕን ቁጠባዊ ዕብየትን፣ ኢንዱስትሪ፡ ምህዞን ትሕተቕርጽን፣ ዘይማዕርነት ምቕናስ፣ ዘለቕቲ ከተማታትን ማሕበረሰባትን፣ ሓላፍነታዊ ተጠቃምነትን ፍርያትን፣ ክሊማዊ ንጥፈት፣ ትሕተ ማያዊ ህይወት፣ ኣብ ንቑጽ መሬት ዝርከብ ህይወት፣ ሰላም፡ ፍትሕን ሓያላት ትካላትን ከምኡ'ውን ነቲ ሸቶታት ንምዕዋት ሽርክነት ምድንፋዕን ዝብሉ እዮም። ኤርትራ ኣብ መዳይ ጥዕና፡ ጽሩይ ጸዓት፣ ክሊማዊ ንጥፈት ከምኡ'ውን ቅቡል ስራሕን ቁጠባዊ ዕብየትን ምምሕያሻት ተርኢኳ እንተላ፤ ኣብ መዳይ ጽፈቱ ዝሓለወ ትምህርቲ፣ ዘለቕቲ ከተማታትን ማሕበረሰባትን ኣብ ንቑጽ መሬት ዝርከብ ህይወት ተንቆልቁል ከምዘላን ጸብጻባት ይገልጹ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60122433"} {"headline":"ኣብ ኤርትራ ምዕፋን ድምጽታት ተቓውሞ ቀጺሉ ኣሎ' - ሕቡራት ሃገራት","content":"ቤት-ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ጉዳይ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክዝትይ እንከሎ ዝተርኣየ ምምሕያሽ ከምዘየለ ሓቢሩ። ፍሉይ ራፖርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ኤርትራ፡ ሞሓመድ ዓብደልሰላም ባቢከር፡ ኣብ ህልው ኩነታት ኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ \"ኣብ'ታ ሃገር ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነ ምምሕያሽ ምህላዉ ዘርኢ ምልክት ኣይረኸብናን\" ኢሉ። \"ኣብ ልዕሊ ድምጽታት ተቓውሞ ዝካየድ ስርዓታዊ ዓፈናታት ቀጺሎም ኣለዉ። መንግስቲ ናጽነት ምዝራብ፣ ሓሳብካ ምግላጽ፣ ምውዳብ ከምኡ'ውን ናጽነት ሃይማኖት ምድራቱ ስለዘየቖመ፡ ሲቪካውን ዲሞክራስያውን ሃዋህው ምስተዓጽወ ይርከብ\" ኢሉ። ካብ 1998 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ኣሎ ዝበሎ፡ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ድማ፡ ኣስገዳድ ናይ ጉልበት ስራሕ ዘካትት ኮይኑ፡ ኣብታ ሃገር ሓደ 'ምንጪ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት' ኮይኑ ከምዝቐጸለ እቲ ፍሉይ ራፖርተር ወሲኹ ኣዘኻኺሩ። ኤርትራ፡ ነቲ ዝቐረበ ክሲ ኣብቲ መድረኽ ብወኪላ ኣቢላ 'ዝንቡዕ ድምዳመታት' ብዝብል ዝነጸገቶ ኮይና፡ \"እቲ ጸበጻብ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ዘየመዛዘነ\" ክትብል ተቓዊማቶ። እቲ ወኪል ኤርትራ ወሲኹ፡ \"ካብ ደገ ዝመጽአ ዘሎ ምትንኳያት ብምጽዋር፡ ኣብቲ ዞባ ምንጪ ምርግጋእ ንምዃን ትሰርሕ ኣላ\" ምስበለ፡ እቲ ጸብጻብ ነቲ ብመደብን ትልምን ይስረሓሉ ኣሎ ዝበሎ፡ ምምሕያሽ ብድሆታት ሰብኣዊ መሰላት፡ ዘይምጽርሑ ነቒፉ። ኤርትራ ብኣታሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ብተደጋጋሚ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሰፊሕ ወቐሳታት ክቐርበላ እኳ እንተጸንሐ፡ መንግስቲ ነቶም ነቐፌታት ክነጽጎም ጸኒሑ ኣሎ። ኤርትራ፡ ንልዕሊ 30 ዓመታት ሃገራዊ ምርጫ ኣካይዳ ከምዘይትፈልጥን፡ ብዙሕት ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጉኖም ከምዝርከቡን ጸብጻባት ይሕብሩ። ንልዕሊ 20 ዓመት ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ዜጋታት ክትፈትሕ፣ ኣብ ሕጋዊ መስርሕ ምምሕያሻት ክትግበር፣ ዘይሻራዊ ኣካል ተፈጺሞም ንዝበሃሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣትዩ ንከጻሪ ክትፈቅድ መንግስቲ ኤርትራ ምሕጽንታ ቀሪቡሉ። ምስ'ቲ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት፡ ክተሓባበር'ውን ተሓቲቱ። ብሰንኪ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዓመታዊ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ መናእሰይ'ታ ሃገር ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ምህዳም ቀጺሎም ከምዘለዉ ዘመልከተ ጸብጻብ እቲ ፍሉይ ራፖርተር፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተስፋፈሐን ኲናት፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ዝበጽሕ ዘሎ ግፍዕን ጸበባበን ከምዘሻቐሎ ጠቒሱ። \"ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ፡ እቲ ፍሉይ ራፖርተር ካብ ገለ ተባዓት ኤርትራውያን ዝሰምዖ፡ ከም ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፣ መጭወይቲ፣ ስቅያት፣ ጾታ መሰረት ዝገበረ መጥቃዕትን ካብ ባሕሪ ምምላስን ዝኣመሰሉ ግፍዕታት ኣዝዩ ዘሰንብድ እዩ። \"ከምኡ'ውን፡ ኣብቶም ጎንጽታት ዝካየደሎም ክልላት ዓፋርን ትግራይን ዝርከቡ ክሳብ 80 ሽሕ ዝኣኽሉ ስደተኛታት ዘለውሉ ኩነታት ኣዝዩ ዘደንጹ ሓበሬታ ይመጸና ኣሎ\" ይብል እቲ ጸብጻብ። ብፍላይ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከቡ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓሩሽን ዝርከቡ ስደተኛታት፡ ኩነታቶም ኣዝዩ ዘስግእ ከምዝኾነ ወሲኹ ገሊጹ። ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተኣሳሰር፡ ኤርትራን ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ወገናት ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብምፍጻም ከምዝኽሰሱ ብምጥቃስ ኩሎም ወገናት ሰብኣዊ መሰላትን ሕጋጋትን ከኽብሩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ። መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ክስታት ክነጽጎ እኳ እንተጸንሐ፤ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ገለ ትካላት ደሕነት ኤርትራን በቲ ገዛኢ ወድብ ዝውነኑ ትካላት ንግድን እገዳ ኣንቢራ እያ። ኤርትራ፡ ንካልኣይ ግዜ ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ኮይና ምምራጻ ዝዝከር እዩ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60568319"} {"headline":"ኲናት ትግራይ፡ መራሕቲ ትግራይ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዘራረቡ ከምዘለዉ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ","content":"ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ክካየድ ዝጸንሐ ልዝብ ይቕጽል ምህላዉ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ምክትል ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣሚና መሓመድ፡ ብረቡዕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ'ያ ነቲ ሓበሬታ ሂባ። እታ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ክልላት ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራን ብምብጻሕ ነቲ ብሰንኪ'ቲ ኲናት ዝሰዓበ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ዝተዓዘበት ላዕለወይቲ ብዓልቲ ስልጣን ናይቲ ውድብ፡ ናይ ሰላም ተስፋ ከምዘሎ ጠቒሳ። ብዛዕባ'ቲ ክሳብ ሕጂ ዘይሃድአ ዘሎ ግጭት ክትዛረብ እንከላ፡ \"ብርግጽ ካብቲ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ዝነበረ ግጭታት ዝወሓደ'ዩ\" ዘሎ ብምባል ገሊጻቶ። \"ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ብርግጽ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ኢና ዘለና\" ክትብል'ውን ብዛዕባ'ቲ ዝግበር ዘሎ ድርድር ተስፋ ከምዘለዋ ኣሚታ። እታ ምስ ሰበስልጣን መንግስትን፡ ሰብመዚ ሰለስቲኡ ክልላትን ብምርኻብ ዝተዘራረበት ኣሚና መሓመድ፡ እቲ ኲናት ደው ክብል ጸዊዓ'ላ። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብወገኑ፡ ኲሎም ወገናት ናይቲ ኲናት ሰላም ንምምጻእ ዝወስድዎም ዘለዉ ዝበሎም ስጉምትታት ከምዝንእድ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ገሊጹ ነይሩ። ሰላም ንምስፋን ድማ እቲ ወሳኒ ስጉምቲ ምቁራጽ ተጻብኦታትን ነቲ ኲናት ደው ምባልን ምዃኑ'ውን ጉተረዝ ከይተዛረበ ኣይሓለፈን። ኣብ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሳተፈት ምክትል ናይቲ ዋና-ጸሓፊ፡ ናብ ክልል ትግራይ ብምኻድ ኣብ ገለ በቲ ኲናት ዝተሃስያ ከተማታትን ከባቢታትን በጺሓ ነይራ። ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን'ውን ተመሳሳሊ ምብጻሕ ኣካይዳ ነይራ። ኣብቲ ዘካየደቶ ዑደት፡ ምስ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ዝኾና ደቂ-ኣንስትዮ ከምዝተራኸበትን፡ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ዝበጽሕ በደል ተጻዋርነት ከምዘይብሉ ብምግላጽ፡ ኣብ ጎኒ እተን ግዳያት ከምዝኾነት ተዛሪባ። ሕቡራት ሃገራት ነቲ ዝወረደን ሃስያ ንምቅላል ፍታሕ ኣብ ምርካብ ጻዕርታቱ ከሐይል ምዃኑ'ውን ቃል ኣትያ። እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ዝተመዘዘ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሌሰጉን ኦባሳንጆ፡ ብሰኑይ ኣብ ከተማ ኮምቦልቻ ከምዝበጽሐ ጸብጻባት ሓቢሮም። እቲ ቅድሚኡ ኣብ ክልል ትግራይ በጺሑ ዝነበረ ኦባሳንጆ፡ ኣብ ክልል ዓፋር'ውን ተመሳሳሊ ዑደት ከካይድ ትጽቢት ይግበር። እቲ ንልዕሊ 15 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ኣብ ክልል ትግራይ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ምስዓቡ ይፍለጥ። ኣብ ትግራይ ጥራይ፡ 40 እሚታዊት ናይቲ ህዝቢ ከቢድ ሕጽረት መግቢ ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዘውጽኦ ጸብጻብ ይጠቅስ። ነቲ ግጭት ንምህዳእን ሰላም ንምርግጋጽን፡ ኣመሪካን ኬንያን ዝርከብዎም ወገናት ሓያል ጻዕርታት ከካይዱ ጸኒሖም'ዮም። መራሒ ክልል ትግራይ፡ ዶ\/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ምስ መንግስቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ልዝብ ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ኣብዚ ቀረባ እዋን ተዛሪቡ ነይሩ'ዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ምስ ህወሓት ከዘራረብ ድልዉ ምህላዉ ከምዝገለጸ ጸብጻባት ዜና ሓቢሮም ነይሮም። ዋላ'ኳ፡ ሓይልታት ህወሓት ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ከምዝወጹ እንተፍለጡን፡ ሰራዊት መንግስቲ'ውን ናብ ትግራይ ከይኣቱ እንተ ወሰነን፡ ኣብ ዶባት እተን ክልላት ሓሓሊፉ ውግኣት ክካየድ ጸኒሑ'ዩ። ብፍላይ ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ዓፋርን ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ሓያል ረጽሚ ከምዘካየዱ ገሊጾም ነይሮም። ብዛዕባ ምጅማር ናይቲ ሓድሽ ጎንጺ ንሓድሕዶም ዝካሱሱ'ኳ እንተኾኑ፡ ሓይልታት ህወሓት ንገለ ከባቢታት ዓፋር ተቖጻጺሮም ነይሮም'ዮም።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60322740"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ፕረዚደንት ኬንያን ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ኲናት ትግራይ ከብቅዕ ተማሕጺኖም","content":"ፕረዚዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብቂዑ፡ እቶም ተጻባእቲ ናብ ዘተ ክኣትዉ ጸዊዑ። እቲ ፕረዚደንት 25 ጥሪ 2014 ዓ.ም.ግ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ፡ ናብ ካልኦት ክልላት ዝተላበዐ ልዕሊ 15 ኣዋርሕ ዘቑጸረ ደማዊ ኲናት ኣብቂዑ፡ ‘ንኹሉ ዝሓቁፍ ሃገራዊ ልዝብ’ ክካየድ ተማሕጺኑ። ጻውዒት እቲ ፕረዚደንት፡ ቅድም ክብል ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ መንፈስ እቲ መጻኢ ዓርቢ ዝጅምር ዓለማለኸ ክረምታዊ ኦሎምፒክ ኣብ ግምት ብምእታው ተኹሲ ጠጠው ክብል ዘስመዖ ድምጺ ዘራጉድ እዩ። እቲ ዋና ጸሓፊ፡ በቲ ቀጻሊ ይካየድ ዘሎ ደማዊ ኲናት ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣትዩ ከምዘሎ ተዛሪቡ። ንኣሽሓት ዓመታት ባህሊ ዝኾነ፡ መንፈስ ሰላም ኦሎምፒክ፡ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ካልኦት ሃገራትን ዘለዉ ተጻብኦታት ከብቅዑ እዩ ሓቲቱ። ዋና ፀሓፊ አንቶኒዮ ጉቴሬዝ ብዛዕባ ጽባሕ ዓርቢ ጀሚሩ ኣብ ርእሰ ከተማ ቻይና ቤጂንግ ዝካየድ ናይ ክረምቲ ውድድር ኦሊምፒክ መግለጺ ኣብ ዝሃበሉ ኣጋጣሚ: ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኩሎም ተጻባእቲ ወገናት ብህጹጽ ተኹሲ ጠጠው ከብሉ 'ተሪር ጻውዒት ሰላም ክሰምዕ እደሊ\" ኢሉ። እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተጎድኡ ህዝብታት ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ክረኽቡን፡ ናይ መንፈስ ዕረፍቲ ክረኽቡን ዝጠቅም ከምዝኾነ ወሲኹ። ጎንጺታት ጠጠው ምባሎም፡ ነታ ሃገር ኣዝዩ መሰረታዊ ዝኾነ፡ ኣሳታፊ ሃገራዊ ዘተ ንኽካየድ መገዲ ዝጸርግን፡ በዚ ድማ ህይወት ንምድሓንን ኣፈላላያት ንምትዕራቕን ዘኽእል ሰላም ንክዓስል ኣዝዩ ኣገዳሲ ስጉምቲ ከምዝኸውን ወሲኹ ሓቢሩ። ኡሁሩ ኬንያታ ብወገኑ፡ ‘ከም ፕረዚደንት ጎረቤት ሃገር ኬንያ: ከም ሓደ ሓው ህዝቢ ኢትዮጵያን’ ጻውዒት ሰለም ከቕርብ ከምዝደሊ እዩ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ። “እቲ ኲናት ኣብዛ ዓቢ ባህልን ስልጣነን እትውንን ሃገር ንዝነብር ህዝቢ፡ ክብርን ሞጎስን ኣስኢንዎ ኣሎ” ኢሉ። እቲ ፈተና ምሕላፍ ዝከኣል እቶም ተጻባእቲ ወገናት ብዝኽተልዎ፡ ናብ ዘላቒነት ሰላምን ምርግጋዕን ዝወስድ ስጉምቲ ከምዝኾነ ሓቢሩ። “ዝተፈለለዩ ኣተሓሳሰባታት ብምክእኣል መንፈስ ዝካየድ ሃገራዊ መድረኽ ዘተ፡ በቲ ጎንጺ ንዝተጎድኡ ማሕበረሰባት ዘብጸሓሎም ጽዕንቶ ብምፍኳስ ነዊሕ መገዲ ዝጓዓዝ እዩ” ኢሉ። “ጎንጺ ኢትዮጵያ ኾነ ካልእ ዞባዊ ኮነ ዓለምለኻዊ ጎንጺ ተፈቲሑ፡ ናብ ዘላቒ ልምዓት ከምርሕ ኣለዎ። ብሓንሳብ ኮይንና ዝሐሸት ዓለም ክንፈጥር ንኽእል ኢና” ዝብል እምነት ከምዘለዎ ኣብ መግለጺኡ ኣንጸባሪቑ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፡ 193 ሃገራት ኣባላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ፡ ኣብ ኦሎምፒክ ‘ብውልቀ ኾነ ብሓባር’ ጎንጽታት ከብቅዑ ዘኽእል ውዕል ኣጽዲቐን እየን። በቲ ውሳነ መሰረት፡ ተኹሲ ጠጠው ምባል መንፈስ ኦሎምፒክ፡ እቲ ንመበል 24 ዝካየድ ዓለምለኻዊ ኢሎምፒክን ፓራኦሎምፒክን ዘጠቓልል እዩ። ብኣቆጻጽራ ግእዝ፡ ኦሊምፒክስ ካብ ጥሪ 27 ክሳዕ የካቲት 13 ከምኡ ድማ ፓራሊምፒክስ ካብ የካቲት 25 ክሳብ መጋቢት 4 ይካየድ። እቲ ጉባኤ ጥንታዊ ናይ ግሪክ ባህሊ መሰረት ዝገበረ ኾይኑ፡ ሰላማዊ ሃዋሁ ብምፍጣርን ተሳተፍቲ እቲ ጸዋታ ብሰላም ክሓልፉ ዘኽኣለ ኦሊምፒክ ትሩስ [ተኹሲ ደው ምባል ኦሊምፒክ) እናተብሃለ ዝጽዋዕ ሰላማዊ ስምምዕ ዘዘኻኽር እዩ። ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ መራሕቲ እቲ ክልልን መንግስቲ ፌደራልን ናብ ልዝብ ንክመጽኡ ዝግበሩ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕርታት ምዕባለ ከርእዩ ከም ዝጀመሩ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ። \"ምስ መንግስቲ ፌደራል ክንዘራረብ ጀሚርና ኣለና፤ ብሞንጎኛታት ዝግበሩ ዝርርባትን ርክባትን ኣለው'ዮም። ኣብዚ ዝርኣዩ ምዕባለታት'ውን ኣለው፤ ግን እቲ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕረ ፍረ ንከምጽእ ንጽበ ኣለና\" ክብል ዶክተር ደብረጽዮን ተዛሪቡ። ቅድም ኢሉ፡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ትግራይ ንምዝርራብ ድልው ከም ዝኾነ ምዝራቡ ማዕኸን ዜና ኣሶሺየትድ ፕረስ (ኤፒ) ጸብጺቡ ነይሩ። ዛጊድ ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ዝበሃል ዘሎ ድርድር ብወግዒ ዝገለጾ ነገር የለን። ብፍላይ ኣሜሪካን ሕብረት ኣፍሪቃን እቶም ሓይልታት ፍልልያቶም ብዘተ ፈቲሖም ነቶም ብኲናት ዝተሃሰዩ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽበጽሖም ኣብ ምስራሕ ይርከቡ። እቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተወከለ ፍሉይ ልኡኽ ኦሌሴጉን ኦባሳንጆ'ውን ንሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፤ ንሰበስልጣን ትግራይ ድማ ኣብ መቐለ እናረኸበ ብተደጋጋሚ ኣዘራሪብዎም'ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ እቲ ንጄፍሪ ፌልትማን ዝተከአ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ዴቪድ ሳተርፊልድ ናብ ኢትዮጵያ ብምኻድ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ከም ዝተዘራረበ ይፍለጥ። እዚ ኩሉ ጻዕሪታት፡ እቶም ኣብ ጎንጺ ዘለዉ ተጻባእቲ ሓይልታት ፍልልያቶም ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ክፈትሑ ንምግባር'ኳ እንተኾነ ዛጊድ ግን ጭቡጥ ዝኾነ ውጽኢት ኣይተረኣየን። ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት [ኦቻ] ኣብ ቀረባ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣብ ትግራይን ዝተፈላለዩ መዋስንቲ ከባቢታት ዓፋርን ኣምሓራን ውግኣት ከም ዘለው ምግላጹ ይዝከር። ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ኢንተርነትን ቴሌኮምዩኒኬሽንን፣ መጓዓዝያ ምድርን ነፋሪትን ከምኡ'ውን ኤሌክትሪክን ባንክን ተዓጺዮም፡ እታ ክልል ንዝበዝሐ እዋን ተኸርዲና ብምጽንሓ፡ ቀረባት ሕክምናን መግቢን ንምብጻሕ ኣጸጋሚ ኮይኑ'ዩ ጸኒሑ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ቁጽሪ ናይቶም ከቢድ ጥምየት ዘጋጠሞም ሰባት ይውስኽ ከም ዘሎ ገሊጹ። እቲ ትካል ከም ዝብሎ፡ 2.2 ሚልዮን ሰባት \"ብሰንኪ ሕሉፍ ጥምየት\" ይሳቐዩ ኣለዉ። በቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐን ዝቕጽል ዘሎን ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ትሸዓተ ሚልዮን ሰባት ናይ መግቢ ሓገዝ ከም ዘድልዮም እቲ ትካል ገሊጹ'ሎ። እቲ ንኣስታት 15 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ሰፊሕ ምፍንቓልን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ምስዓቡ ይፍለጥ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60244831"} {"headline":"ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ንሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ንዝቐተሉ ዓሰርተታት ዜጋታት ሞት ፈሪዳ","content":"ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ቅትለት ክልተ ሰብ ሞያ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተሳትፎ ነይሩዎም ንዝበለቶም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኣባላት ዕጡቕ ጉጅለ ሞት ፈሪዳ፡፡ ኣብ 2017 ስዊዲናዊት-ቺላዊት ዛይዳ ካታላንን ኣመሪካዊ ሚካኤል ሻርፕን ኣብ ግዝኣት ካሳይ ተጨውዮም ተቐቲሎም፡፡ እቶም ግዳያት ድሕሪ እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን እቶም ዕጡቓትን ዝተወለዐ ጎንጺ ተረኺቦም ዝተባህሉ ጃምላዊ መቓብራት ይምርምሩ ነይሮም፡፡ ተርጓሚቶም ዝነበረት ቤቱ ሺንተላ እውን ተቐቲላ፡፡ ምስተጨወዩ ድሕሪ 16 መዓልቲታት ኣስከሬኖም ተረኺቡ፡፡ ካብቶም ግዳያት ሓንቲ ዝኾነት ካታላን ድማ ርእሳ ተቖሪጹ ተረኺባ። ኣብቲ እዋን ውድብ ሕቡራት ሃገራት በቲ ኣብ ሰራሕተኛታቱ ዝተፈጸመ ቕትለት ኣዝዩ ከምዝሰንበደ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ትካል ፍትሒ ንምርካብ ዝከኣሎ ኩሉ ከምዝገብር ዋና ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ገሊጹ ነይሩ፡፡ በቲ ኣብ 2017 ደው ዝበለ ጎንጺ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም እዮም፡፡ በሰንኪ እቲ ኣብ 2016 ንመቕተልቲ ባህላዊ መራሒ ካምዊና ሳፑ ስዒቡ ዝተወለዐ ጎንጺ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት እውን ተፈናቒሎም፡፡ እቶም ተጠርጠርቲ ድሕሪ ኣብ ወታሃደራዊ ቤት ፍርዲ ዝተኻየደ ኣርባዕተ ዓመት ዝወሰደ መጋባእያ እዮም ውሳነ ረኺቦም ዘለዉ፡፡ ካብቶም ተኸሰስቲ ዳርጋ ኩሎም ሚልሻታት ከምዝኾኑ ዝተገለጸ 51 ሰባት ሞት ተፈሪድዎም ኣሎ፡፡ እንተኾነ ዲሞክራቲክ ኮንጎ ንፍርዲ ሞት ኣወንዚፋቶ ስለዘላ፡ እቲ መቕጻዕቲ ዕድመ ልክዕ እስራት ናይ ምዃን ዕድል ኣለዎ፡፡ እቶም ተጠርጠርቲ ካብ ግብረ ሽበራን ቅትለትን ክሳብ ኣካላት ሰብ ምቁርራጽ ዝብል ክስታት ቀሪቡሎም፡፡","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60187301"} {"headline":"ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦትን ዝካየድ ዘሎ ማእሰርቲ ከምዘሻቐሎ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ","content":"ካብ ዝሓለፉ ሰሙናት ጀሚሩ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ጎንደርን ባህርዳርን ካልኦት ከባብታትን ዝፍጸም ማእሰርቲ ምቕጻሉ ከምዘሻቐሎ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ገሊጹ። ነቲ ኣብታ ሃገር ካብ 2 ሕዳር 2021 ጀሚሩ ዝተኣወጀ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ስዒቡ ፖሊስ ሰፊሕ ማእሰርቲ፣ ፈተሻን ማእሰርትን የካይድ ምህላዉ ብወሃቢት ቃል እቲ ኮሚሽን ዝወጸ መግለጺ ኣዘኻኺሩ’ሎ። ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ምስ ህወሓት ይሰርሑ'ዮም ብዝበል ጥርጠራ ዝተኣስሩ ተወለድቲ ትግራይ ምዃኖም ዘተሓስስብ ምዃኑ እቲ ኮሚሽን ጠቒሱ'ሎ። ኣካላት ጸጥታ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓድሽ ስጉምቲ ጃምላዊ ማእሰርትን ተፍትሽ ገዛ ንገዛን የካይድ ብምህላዉ ግዳያት ጃምላዊ ማእሰርትን ምፍርራሕን ንኸውን ኣለና ክብሉ ተጋሩ ነበርቲ እታ ከተማ ገሊጾም ነይሮም። እቶም 'ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣለና' ብምባል ቃሎም ንቢቢሲ ዝሃቡ ውልቀሰባት፡ ድሮ ኣባላት ስድራቤቶም፣ መሓዙቶምን መቕርባቶምን ካብ ዝነበሩሉ ናይ ስራሕ ቦታ፣ ቤት ብልዒ፣ መዘናግዒ ቦታን መጓዓዝያን ተገፊፎም ተወሲዶም ይብሉ። ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኮማንደር ፋሲካ ፈንታ፡ \"ኣብቲ መንግስቲ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ዝተኣሰሩ ተወለድቲ ትግራይ ጥራሕ ኣይኮኑን፤ ግን ከኣ ብቐንዱ ንሳቶም'ዮም\" ክብል ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ ነይሩ። ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅመር ንድሓር ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ብርኪ ማሕበራዊ መነባብሮ ዝርከቡ ነበርቲ እታ ከተማ ዝኾኑ ተወለድቲ ትግራይ 'ብሰንኪ መንነት' ግዳያት ማእሰርቲ ከም ዝኾኑን ትካላት ንግዶም ከም ዝተዓጽወን ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ። እዚ ሓድሽ ዙርያ ጃምላዊ ማእሰርቲ፡ ድሕሪ እቲ ሓይልታት ትግራይ ንዓበይቲ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ዝኾና ደሴን ኮምቦልቻን ምቁጽጻሮምን፡ መንግስቲ \"ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ዝተሓብኡ ዕሱባት ህወሓት ኣለው'ዮም\" ምባሉን ስዒቡ ዘጋጥም ዘሎ እዩ። ብዝሒ እሱራት? እቶም ዝበዝሑ እሱራት ተወለድቲ ትግራይ ከምዝኾኑ ዘመልክቱ ጸብጻባት ምህላዎም ዘመልከተ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፤ ምስ ህወሓት ርክብ ኣለኩም ብዝብል ተጠርጢሮም ብቐጻሊ ከምዝእሰሩ ሓቢሩ። ”ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ ብውሕድ 1 ሽሕ ውልቀሰባት ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ሰሙን ተኣሲሮም ኣለዉ። ገለ ምንጪታት ድማ እቲ ቁጽሪ ልዕሊኡ ክኸውን ከምዝኽእል የመልክቱ” ይብል ኣብ መግለጺኡ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ቅድሚ ዝተወሰኑ መዓልታት ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፤ “ንዓሌት መሰረት ዝገበረ ዝመስል” ማእሰርቲ ይፍጸም ምህላዉ ብምሕባር፤ እዚ ደው ክብል ሓቲቱ ምንባሩ ይዝከር። ኣየናይ ብሄር ወይ ዓሌት ዒላማ እቲ ማእሰርቲ ከምዝኾነ ግን ካብ ምግላጽ ተቖጢቡ’ሎ። ንተወለድቲ ትግራይ ጥራሕ ዘነጻጸረ ማእሰርቲ ይፍጸም የለን ዝብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ምስ ምውሓስ ጸጥታ እታ ሃገር ብዝተሓሓዝ ዝተጠርጠሩ ውልቀሰባት ብሄሮም ብዘየገድስ ይተሓዙ ምህላዎም ይምጉት። “እቶም እሱራት ዝተትሓዙሉ ኩነታት ምዕሩይ ከምዘይኮነ ይግለጽ። ቁጽሮም ኣዝዩ ብዙሕ ዝኾነ እሱራት ኣብ ጸበብቲ ኣብያተ ማእሰርቲ ይርከቡ” ዝበለ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፤ ደረጃታት ዓለምለኸ ሰብኣዊ መሰላት ይጠሓሱን ድኹም ኣተሓሕዛ እሱራት ከምዘሎን ኣፍሊጡ። መስርሕ ፍርዲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ንላዕለዎት ሰብ መዚ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ \"ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልእ ከባብን ኮይኖም ኣፍ ጸላኢ ብምዃን ንህዝብና ዕጥቂ ዘፍትሑ ኣካላት ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰዶም ይግባእ\" ብምባል ፈጸምቲ ኣካላት ከተግብሩዎ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቡ ምንባሩ ይዝከር። እቲ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ካብ ትግራይ ወጻእ ዘለው ተወለድቲ ትግራይ ሓያል ስነ ልቦናዊ ጸቕጢ ክፈጥሩ እንከለው፡ ናይ ድሕነት ስግኣት ክዓስሎም ከም ዝገበሩ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሮም ነይሮም። መብዛሕቲኦም እሱራት ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉሉ ምኽንያት እውን ከምዘይፈልጡ ዝሓበረ መግለጺ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፤ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡን መንቀሊ መእሰሪኦም ናብ ዝንገሩሉ ካልእ መድረኽ ከምዘይተወሰዱን ገሊጹ። ወግዓዊ ክሲ ከምዘይተመስረተ ብምግላጽ ድማ “በቶም ዝበጽሑና ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝፍጸሙ ዘይምዕሩይ ኣተሓሕዛ እሱራት ከምዘሎ ዝገልጹ ጽብጻባት ተሻቒልና ኣለና” ኢሉ። “ውሕስነት እቶም እሱራት ዝተሓለ ክኸውን፤ ሰብኣዊ መሰላቶም ክሕለወሎም፤ ፍትሓዊ መስርሕ ፍርዲ ክህሉ ንጽውዕ” ክብል ድማ ኣተሓሳሲቡ። ኣብዚ እዋን 10 ኣባላቱን 34 ዘወርቲ መኻይንን ሕዚ’ውን ኣብ ማእርቲ ከምዝርከቡ ብምግላጽ ኩሎም ብቕልጡፍ ክፍትሑ ጸዊዑ’ሎ። እንተይኮይኑ “ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ይኹን ካልእ ዘይሻራዊ ኣካል ምጽራይ ክግበረሉ ወይ ብወግዒ ክሲ ክቐርበሎም ኣለዎ” ኢሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ነቲ ሓይልታት ትግራይ ንከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ ኣብታ ሃገር ን6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ምህላዉ ይፍለጥ። እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ይቕጽል ምህላዉን፡ ነቲ ዝተፈጥረ ሰብኣዊ ቅልውላው የጋድዶ ምህላዉን ይግለጽ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59310107"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ደው ክብል ዳግማይ ጸዊዑ","content":"ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዝሳተፉ ዘለዉ ኩሎም ወገናት ኵናት ደው ከብሉ ዳግማይ ሓቲቱ። ኣቐድም ኣቢሎም ሕቡራት ሃገራት፣ ምዕራባውያን ሃገራትን ትካላት ወሃብቲ ረድኤትን እቲ ኵናት ደው ክብልን ሰብኣዊ ረድኤታት ከይተተዓናቐፈ ናብቶም ተጸበይቲ ክብጽሕን ብተደጋጋሚ ክጽውዑ ጸኒሖም'ዮም። ምክትል ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ፈርሃን ሃቅ \"ኣብ ክልላት ትግራይ ዓፋርን ኣምሓራን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝወርድ ዘሎ ስቓይ ደው ንኽብል ኩሎም ኣብቲ ኵናት ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ተጻብኦታት ደው ከብሉ ደጊምና ንሓትት\" ኢሉ። ብምስዓብ \"ኩሎም ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት፡ ዓለምለኻዊ ሕግታት ሰብኣዊ ረድኤት ከኽብሩ ኣለዎም፤ ድሕነት ሰላማውያን ሰባትን ትሕተ ቅርጽን ክሕሎ ኣለዎ\" ኢሉ። ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኣብ ዝሓየለሉን ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለን ከባቢኣን ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ሓሙሽተ ግዜ ደብዳብ ነፋሪት ኣብ ዘካየደሉ እዩ ነዚ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ፈርሃን ሃቅ፡ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝጀመረ ኵናት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምስ ለሓመ ቁጽሪ ናይቶም ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝጠልቡ ሰባት ብናህሪ ይውስኽ ምህላዉ ገሊጹ። ሓይልታት ትግራይ ነታ ዝሓለፈ ዓመት 28 ሕዳር ገዲፎማ ዝወጽኡ ከተማ መቐለ 28 ሰነ 2021 ዳግማይ ምስ ተቆጻጸርዎ መንግስቲ ፌደራል በይንኣዊ ምቁራጽ ቶኵሲ ኣዊጁ እኳ እንተነበረ፡ ላዕለዋይ ኢድ ክሕዙ ዝጀመሩ ሓይልታት ትግራይ ቅድመ ኵነት ዝሓዘ ነጥብታት ብምቅማጥ ነቲ ምቁራጽ ተጻብኦ ኣይተቐበሉዎን። ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ኵናት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ገለ ምብራቓዊ ክፋል ክልል ዓፋርን፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከባቢታት ሰሜንን ደቡብን ወሎ ተቆጻጺሮም ይርከቡ። ሓደ ካብ ላዕለለዎት ሓለፍቲ ሓይልታት ትግራይ ዝኾነ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝገብርዎ ዘለዉ መጥቃዕቲ ንመንግስቲ ፌዴራል ጸቅጢ ንምፍጣር ከም ዝኾነ ገሊጹ ነይሩ። ጀነራል ጻድቃን፡ ሓደ ካብቲ ዕላማታቶም፡ መንግስቲ ነቲ ሓይልታት ትግራይ ቶኵሲ ደው ንኸብሉ ኣቐሚጦሞ ዘለዉ ቅድመ ኩነት ንኽቅበልን ናብ ፖሎቲካዊ ዘተ ንክቀርብ ንምግዳድ ከም ዝኾነ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ምግላጹ ይዝከር። እቲ ኵናት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምስ ልሓመ፡ ካብ ደቡብ ወሎን ካብ ዋግ ኽምራ ከምኡ'ውን ካብ ክልል ዓደፋር ሓያሎ ሰላማውያን ሰባት ተፈናቒሎም እዮም። ሕቡራት ሃገራት ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ጥራይ ኣስታት 1.7 ሚልዮን ሰብ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮ ገሊጹ ነይሩ። ብሰንኪ እቲ ኣስታት ሓደ ዓመት ዝገበረ ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ኵናት፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ህይወቶም ንምድሓን ናብ ሱዳን ከም ዝተሰደዱ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። ኣሽሓት ሞይቶም፣ ሚልዮናት ንኽቱር ጥሜት ተቓሊዖም፤ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ይርከቡ። ኣብ ትግራይ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ህዝቢ ተጻበዪ ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ኮይኑ ከም ዘሎ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ። ብውሕድ 400,000 ሰባት ናብ ዓጸቦ ብዝቀራረብ ጥሜት ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። ሕብረተሰብ ዓለም፡ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ብዘይቅድመ ኩነት እቲ ኵናት ደው ብምባል ክላዘቡን፡ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ኩሉ መገድታት ብዘይገደብ ክኽፈቱን ብተደጋጋሚ ይጽውዑ ኣለዉ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59006209"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኣሰሩ ሽዱሽተ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ተፈቲሖም","content":"ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተኣሰሩ ሰራሕተኛታቱ እቶም ሽዱሽተ ከም ዝተፈትሑን ካልኦት ሓሙሽተ ኣብ ቀይዲ ከም ዘለውን ገሊጹ። ወሃቢ ቃል ስቴፋኒ ዱጃሪክ ሓደ ካብ ኣባላት ስድራ ሰራሕተኛታቱ ከም ዝተኣሰረ ተዛሪቡ። እዞም ሰራሕተኛታት ኣብዚ ወርሒ ካብ ሞንጎ ዝተኣሰሩ 16 ኣባላት እቲ ውድብ እዮም። እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ምኽንያት መእሰሪኦም ኣይተገልጸን፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ንምፍትሖም ኣመልኪቱ ዝሃቦ ርኢይቶ የለን። ብሮቡዕ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣሰሮም ሰራሕተኛታቱ ክፈትሖም ሓቲቱ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝነበሩ ካብ 72 መራሕቲ መኪና ፍርቆም ከም ዝተፈትሑ ምግላጹ ይዝከር። ኣብታ ሃገር ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንዕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ካብ ዝእወጅ ጀሚሩ ሰፊሕ ማእሰርቲ ይርኣይ ምህላው ይግለጽ። ኣካላት ጸጥታ ሰላማውያን ሰባት ይኣስሩ ኣለው ዝብል ክሲ እኳ እንተቐረበሎም፡ ንሰላማውያን ሰባት ከምኡ’ውን ብሄር ዒላማ ከም ዘይገበሩ ብምግላጽ ሕግታት እቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ዝጥሓሱ ጥራይ ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተዉ ሓቢሮም። እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ከቢድ ሰብኣውን ፖለቲካውን ቅልውላው ከየስዕብ ይስጋእ። መንግስትን ኣንጻሩ ተሰለፎም ዝዋግኡ ዘለው ዕጡቓትን ተጻብኦታት ጠጠው ከብሉን እቲ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ፍታሕ ንክረክብን ኣፈላላዮም ብዘተ ንክፈትሑ ማሕበረሰብ ዓለም ተደጋጋሚ ጻውዒት የቕርበሎም ኣሎ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ጄፍሪ ፌልትማን ምስ ምኽትል ቀዳማይ ሚንስተርን ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያትን ደመቀ መኮነን፡ ኲናት ደው ኣብ ዝብለሉ ኩነታት ከም ዝዘተዩ ተገሊጹ ኣሎ። ትማሊ መግለጺ ዝሃበ ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምበሳደር ዲና ሙፍቲ “ጄፍሪ ፌልትማን ነቲ ኲናት ደው ኣቢልካ ሰላም ንምምጻእ ዝግበር ጻዕሪ ኣዛይዱ ቀጺሉሉ ኣሎ” ክብል ተዛሪቡ’ሎ። ኢትዮጵያ፡ እቲ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድን ኣቦመንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤልን ዝተራኸበ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሌሴጉን ኦባሳንጆ ዘምጽኦ ኲናት ደው ዝብለሉ ምኽረ-ሓሳብ ትጽበይ ምህላዋ ኣምባሳደር ዲና ገሊጹ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59345730"} {"headline":"ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ኢሰመኮ ኩነታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝእሰሩ ዘለው ሰባት ትኹረት ከም ዘድልዮ ገሊጹ","content":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ) ምስቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ብዝተሓሓዝ ሰባት ኣብ ቀይዲ ዝውዕልሉ ኩነታትን ኣተሓሕዛ እሱራትን ቅልጡፍ ትኹረት ከም ዘድልዮ ገሊጹ። ኢሰመኮ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ መደብራት ፖሊስን መጽንሒ ቦታታትን ምብጻሕ ብምግባር፣ እሱራትን ኣባላት ስድራ ቤቶምን ብምዝርራብ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ካብ ዘለው ኣባላት ፖሊስን ኣመራርሓን ብምዝርራብ ሓበሬታ ከም ዝኣከበ ኣስፊሩ። ይኹን'ምበር፡ ኣተሓሕዛን ኩነታት ማእሰርትን ዝምልከት ሓበሬታ ንምእካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ማሕለኻታት ከም ዘጋጠሞ ሓቢሩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ: ኣብ ሓሙሽተ ክፍለ ከተማታት ሰብ መዚ 'ካብ ላዕሊ ትእዛዝ እንተዘይመጺኡ ሓበሬታ ኣይንህብን' ስለ ዝበሉ እቲ ኮሚሽን ዝተዋህቦ ሓላፍነት ክፍጽም ኣይኽኣለን ይብል። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብ2 ሕዳር 2021 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ካብ ዝእውጅ ንነጀው መብዛሕትኦም ተጋሩ ዝኾኑ ሓደ ሽሕ ሰባት ከም ዝተኣሰሩ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ገሊጹ ነይሩ። ኣብ ትሕቲ እቲ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣዋጅ፡ ሰብ መዚ ሰባት ንምእሳር፣ ብዘይፍርዲ ጥርጡራት ንምእሳርን ብዘይ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ገዛ ምፍታሽን ስልጣን ረኺቦም'ዮም ክብል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይኸስስ። እቲ ኮሚሽን \"ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ሓደ ሽሕ ውልቀሰባት ተኣሲሮም'ዮም ተባሂሉ ይእመን። ገለ ጸብጻባት ግን እቲ ቑጽሪ ካብዚ ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ይእምቱ\" ይብል። ኢሰመኮ ብወገኑ፡ ድሕሪ እቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ብዝሒ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰባት ምፍላጥ እኳ እንተዘይተኽኣለ፡ ኣብ ክፍለ ከተማ ቂርቆስ ጥራይ 714 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለው ክብል ጠቒሱ። ኣብ ካልኦት ክፍለ ከተማታት'ውን ብተመሳሳሊ ኩነታት ማእሰርቲ ስለ ዝነበረን ሰባት ኣብ ቀይዲ ናይ ምውዓል ተግባር ስለ ዝቐጸለን: ኣብ ኢዲስ ኣበባ ጥራይ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከይተኣሰሩ ኣይተርፉን ይብል። ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ኣስታት 300 ሰባት ከም ዝተኣሰሩ መግለጺ እቲ ኮሚሽን ይሕብር። ኣተሓሕዛ እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተው ሰባት ኣዝዩ ድኹምን መብዛሕትኦም ድማ ኣብ ኣዝዮም ዝተጨናነቑ መደበራት ፖሊስ ተኣሲሮም ከም ዘለውን ክልቲኦም ትካላት ኣብ መግለጺኦም ሓቢሮም። ብትሸዓተ ሕዳር ዝተኣሰሩ ዓሰርተ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሕጂ'ውን ኣብ ቀይዲ ይርከቡ። ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣሰሮም ሰራሕተኛታቱ ክፈትሖም ሓቲቱ ኣሎ። ወሃቢ ቃል ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ፡ ዛጊት ኣብ ልዕሊ እቶም ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመስረተ ክሲ ከምዘየለን ስለምንታይ ከምዝተኣስሩን መግለጺ ሓቲቱ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝነበሩ ካብ 72 መራሕቲ መኪና ፍርቆም ከምዝተፈትሑ ትማሊ እቲ ውድብ ሓቢሩ ነይሩ። እቲ ኮሚሽን ከምዝበሎ: \"መብዛሕትኦም እቶም እሱራት ተጋሩ'ዮም። እዚኦም ንህወሓት ብምሕጋዝ ወይ'ውን ብምድጋፍ ብዝብል ጥርጣረ ዝተኣሰሩ'ዮም\"። ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ፖሊስ እቲ ማእሰርቲ ብሄር ተኮር ከም ዘይኮነ ብምግላጽ ደገፍቲ ህወሓት ዝኾኑ ጥራይ ዒላማ ዝገበረ ከም ዝኾነ ምግላጹ ይፍለጥ። ሰባት ብጥቆማ ኣብ ቀይዲ ይውዕሉ ኣለው ዝብል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ \"መብዛሕትኦም ካብ ሕብረተሰብ ብዝርከብ ጥቆማ መሰረት ኣብ ቀይዲ ከም ዝውዕሉን ካብ ሞንግኦም ተወለድቲ ትግራይ ዝኾነ ሰባት ብዝሖም ዝለዓለ ከም ዝኾነን ምፍላጥ ተኻኢሉ'ዩ\" ኢሉ። ኣብታ ከተማ ብሄር ተኮር ማእሰርቲ ይፍጸም ኣሎ ድዩ ክብል ናብ ኣኽበርቲ ሕጊ ሕቶ ከም ዘቕረበ ድማ ኣመልኪቱ። \"ሰባት ብብሄሮም ምኽንያት ዘይኮነ ዝእሰሩ ዘለዉ ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ተጠርጢሮም ከም ዝኾነን ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣሸበርቲ ተባሂሎም ዝሰፈሩ ክልተ ብሄር ተኮር ውድባት ምስ ምዃኖም እቶም ዝትሓዙ ሰባት ተወለድቲ ሓደ ብሄር ክመስሉ ይኽእሉ'ዮም\" ዝብል ምላሽ ከም ዝተዋህቦ ድማ ገሊጹ። ኣብዚ፡ ዕድሚኦም ክሳብ 80 ዓመት ዝበጽሕ ኣረጋውያን ሓዊሱ፡ ዘጥቡዋ ኣደታት፣ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎም ሕሙማት፣ ተኸታታሊ ሕክምና ዘድልዮም'ዮም ዝብሃሉ ሰባት ሓዊሱ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተው ሓቢሩ። \"ገሊኦም መደበራት ፖሊስን መጽንሒ ቦታታትን ኣዝዮ ጸበብቲ፣ እኹል መናጽሂ ቦታ ዘይብሎምን እኹል ብርሃን ዘይረኽቡን'ዮም። ንኣብነት ኣብ ክፍለ ከተማ ቂርቆስ ኣረጋውያንን ሕሙማት ኣእምሮን ዝኾኑ ሰባት ሓዊሱ 241 ሰባት 20 ሜትሮ ብ10 ሜትሮ ኣብ ዝግመት ኣዳራሽ መናእሰይ ተታሒዞም ኣለው\" ኢሉ። ይኹን'ምበር መብዛሕትኦም ዝተኣሰርሉ ምኽንያት ከም ዘይፈልጡ ብምግላጽ \"ብብሄር ምኽንያት ኢና ተኣሲርና\" ኢሎም ከም ዝኣምኑን እቶም ዘዘራረቦም ሰባት ገሊጾም። ካብዚ ብዝብገስ፡ እቲ ኮሚሽን ኣኽበርቲ ሕጊ \"ምኽንያታዊ ጥርጣረ ምህላው ዘረጋግጽ መረዳእታ ክሳብ ዘይተረኽበ ሰባት . . . ኣረጋውያን፣ ዘጥብዋ ኣደታትን ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎም ሰባትን ብቕልጡፍ ክፍትሑ\" ኣለዎም ክብል ኣተሓሳሲቡ። ዝኾነ ዓይነት ማእሰርቲ ድማ መንፈስ እቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ተረዲኡ ብተመጣጣኒ ከምኡ'ውን ካብ ኣድልዎ ናጻ ብዝኾነ መልክዑ ክፍጸም ኣለው ክብል ሓቢሩ። ምስዚ ብዝተሓሓዝ፡ ኣተሓሕዛ እሱራት ክመሓየሽ ከም ዘለዎ'ውን ኣብ መግለጺኡ ኣመልኪቱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ካብ 23 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ጀሚሩ ኣብ መላእ ሃገር ተግባራዊ ዝኸውን ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ከም ዝኣወጀ ይፍለጥ። ድሕሪ'ዚ ብዘጋጥም ዘሎ ማእሰርቲ ብዝተሓሓዝ ድማ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኻዊ ትካላትን እቲ ኩነታት ከም ዘተሓሳሰቦም ይገልጹ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59321238"} {"headline":"ሊብያ፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ናብ ኒጀር ከምዝገዓዙ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ","content":"ኤርትራውያን ዝርከብዎም 172 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኒጀር ከምዝገዓዙ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ጨንፈር ሊብያ ሓቢሩ። \"እዚ ድሕሪ ሓደ ዓመት ናብ ኒጀር ዝካየድ ዘሎ ፈላሚ በረራ'ዩ። ካብ ሊብያ ዝግበር ናይ ሂወት-ኣድሕን በረራ ኮይኑ፡ ንብዙሓት ንሓደጋ ዝተቓልዑ ስደተኛታት ተስፋ ዝህብ'ዩ\" ክብል እቲ ትካል ኣብ ትዊተር ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ገሊጹ። እቶም ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝጸንሑ ስደተኛታት፡ ክሳብ ናብ ሳልሳይ ሃገር ዝሰጋገሩ ኣብቲ ኣብ ኒጀር ዝርከብ ውሑስ መጽኒሒ ማእከል ዝጽበዩ'ዮም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሰብመዚ ጸጥታ ሊብያ ኣብ ልዕሊ'ቶም ብዘይደገፍን መጽለልን ዝርከቡ ኤርትራውያን ተሓተቲ ዕቑባ ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ሞትን መቑሰልትን ኣስዒቡ ነይሩ'ዩ። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ነቲ ሰብመዚ ሊብያ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ብምቅዋም፡ ሰፋሕቲ ተቓውሞታት ከስምዑ ተራእዮም። ብሰንኪ'ዚ ሰብመዚ ሊብያ በቲ ኣብ ልዕሊ'ቶም ዝተጎድኡ ስደተኛታት ዝበጽሐ ግፍዒ ይቕሬታ ሓቲቶም። ይኹን'ምበር፡ ሕጂ'ውን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣብ ርእሰከተማ ትሪፖሊ ኣብ ጎደናታት ክድቅሱን፡ ንሓደጋ ክቃልዑን ተገዲዶም ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ኤርትራዊ ኣብ ርእሰከተማ ትሪፖሊ ብመኪና ተሃሪሙ ምቕታሉ \"ኣዝዩ ከምዝሓዘነ\" ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ ነይሩ። ኤርትራዊ ትማሊ ኣብ ርእሰከተማ ትሪፖሊ ብመኪና ተሃሪሙ ምቕታሉ \"ኣዝዩ ከምዝሓዘነ\" ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ። እዚ ትማሊ ሓሙስ ዝተኻየደ ናይ ምጉዓዝ ስጉምቲ ንገለ ቀዳምነት ዝወሃቦም ተስፋ ዝህብ'ኳ እንተኾነ፡ ንብዙሓት ግን ዘይጭበጥ ሕልሚ'ዩ። ብስሩዕ ኣገባብ ናብ ሳልሳይ ሃገር ክኸዱ ከምዘይክእሉ ዝፈለጡ ስደተኛታት፡ ንማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቖም ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ኣብ ዝፍትንሉ እዋን፡ ብቐጻሊ ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ተታሒዞም'ዮም ዝምለሱ። ብረቡዕ ጥራይ 22 ቆልዑ ዝርከብዎም 357 ስደተኛታት ናብ ትሪፖሊን ዘዊያን ከምዝተመልሱ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ብሰንኪ ዘጋጥሞም ናይ ጃልባ ሓደጋታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ጸብጻባት የረድኡ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ንነዊሕ እዋን ኣብቲ ማእከል ክጽበዩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን፡ ትጽቢት ነዊሕዎም ተቓውሞታቶም የስምዑ ምንባሮም ይዝከር።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59181935"} {"headline":"ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ ወዲ ጋዳፊ ኣብ ዝርኢ ዘሎ ቤት ፍርዲ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ከምሻቐሎ ገሊጹ","content":"ሕቡራት ሃገራት ወዲ መራሒ ሊብያ ነበር ሰይፍ ኣል ኢስላም ጋዳፊ ይግባይ ኣብ ዝሓተተሉ ቤት ፍርዲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከምዘሻቐሎ ገሊጹ። ሰይፍ ኣል ኢስላም ኣብ ሊብያ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ንኸይሳተፍ ምኽልካሉ ስዒቡ ጠበቕኡ ይግባይ ኢሉ ኣብ ዝሓተተሉ ቤት ፍርዲ መጥቃዕቲ ስለዝተፈጸመ’ዩ ሕቡራት ሃገራት እቲ ኩነታት ከምሻቐሎ ዝገልጽ ዘሎ። እቲ ወዲ መራሒ ሊብያ ነበር ሰይፍ ኣብቲ ድሕሪ ሰሙናት ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ከምዘይሳተፍ ዝተነገሮ ቅድሚ ትማሊ ሓሙስ’ዩ። ዝተኸልከለሉ ምኽንያት ድማ ኣብ 2015 ብዝቐረበሉ ናይ ኵናት ገበን ክሲ ከምዝኾነ ኮምሽን መረጻ እታ ሃገር ኣፍሊጡ። እቲ ኮምሽን ካብ ወዲ ጋዳፊ ብተወሳኺ ካልኦት ሕጹያት ተወዳደርቲ “ሕጋዊ” ብዝበሎ ምኽንያት ኣብቲ መረጻ ንኸይሳተፉ ከምዝኣገደ ኣፍሊጡ። ኣል ኢስላም ጋዳፊ ኣቦኡ ሰሜን ኣፍሪቃዊት ሃገር ሊብያ ኣብ ዘመሓደረሉ ግዜ ተፈጺሞም ብዝተብሃሉ ገበናት ኵናትን ቅትለት ሰባትን ኣብ ዓለምለኸ መጋባእያ ገበን ዝድለ ሰብ’ዩ ነይሩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ሰይፍ ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ ሊብያ ከምዝወዳደር ምስተፈለጠ ኣዘራራቢ ኮይኑ ነይሩ። ጠበቓ ሰይፍ ኣል ኢስላም፡ ካህሊ ኣል ዛኢዲ ሴባህ ናይ ዓሚሉ ጉዳይ ሒዙ ናብ ቤት ፍርዲ ኣብየት ክብል ኣብ ዝኸደሉ እዋን ብረት ዝዓጠቑ ሰባት ከምዝተኸታተልዎ ተዛሪቡ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59443328"} {"headline":"ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፌልትማን ሎሚ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ’ዩ","content":"ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፌልትማን፡ ናብታ ብቅልውላው ኵናት ካብ ትሕመስ ዓመት ገይራ ዘላ ኢትዮጵያ ክኣቱ ምዃኑ ተገሊጹ። ኣመሪካ በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናኣስፋሕፈሐ ዝመጽእ ዘሎ ዕግርግር ምሽቃላ ገሊጻ። መንግስቲ ኣመሪካ ናብ ሓይልታት ትግራይ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ብምስዳድ ናብ ኣዲስ ኣበባ ገጾም መጥቃዕቲ ከይፍጽሙ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ። ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፌልትማን \"ህወሓት ንኣዲስ ኣበባ ንምሓዝ ኮነ ንምኽባብ ዝገብርዎ ዝኾነ ዓይነት ፈተነ ንቃወሞ ኢና\" ኢሉ። ብኣንጻሩ ብ2 ሕዳር ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንኢትዮጵያ ካብቲ African Growth and Opportunity Act (AGOA) ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ሃገራት ብዘይ ቀረጽ ምህርተን ናብ ኣመሪካ ከእትዋ ዘፍቅድ ሓለፋ ከምዝኣለያ ገሊጹ። ጆ ባይድን፡ ነተን ዕልዋ መንግስቲ ዝተኻየደለን ሃገራት ጊኒን ማሊን'ውን ካብቲ ሓለፋ ከምዝኣለየን ገሊጹ። ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሮም ንሓያለ ከተማታት ትግራይን ክቆጻጸሩ ዝጀመሩ ሓይልታት ትግራይ፡ መጥቃዕቶም ናብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ብምዝርጋሕ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንሸነክ ሰሜናዊ ምብራቕ 330 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ ቀንዲ መስመር ኮምቦልሻ ኣዲስ ኣበባ ትርከብ ከተማ ከምሴ ብረቡዕ ምቁጽጻሮም ኣባል ማእኸላይ ህወሓት ፕሮፈሰር ክንደያ ገብረሂወት ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ። እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ጉዳይ ወግዓዊ መብርሂ ኣይሃበን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ንዲፕሎማስያዊ ዘተ ተሓሲሙ'ዩ ዘሎ፡ ብኣንጻሩ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ እቲ ኵናት ናይ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ጉዳይ ምዃኑን ኢትዮጵያ ባዕላ ከምእትፈትሖን'ዩ ብተደጋገሚ ገሊጹ። 3 ሕዳር መበል ሓደ ዓመት ምጅማር እቲ ኵናት ኣመልኪቱ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ንጻላእቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ \"ብደምና ክንቀብሮም ኢና\" ምባሉ ይዝከር። እቲ ኣብ ትግራይ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝጀመረ ኵናት ካብ ክልል ትግራይ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ድሕሪ ምልሓም ንርእሰ ከተማ እታ ሃገር'ውን ስግኣት ኣብ ዝኾነሉ፡ ብዙሓት ሃገራት ስግኣተን ይገልጻ ኣለዋ። ኣመሪካ፡ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይታት ትግራይን ፖሎቲካዊ ዘተ ንኽግበር ኣዐርያ ክምእትሰርሕ ገሊጻ ኣላ። ዋና ጽሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቲንዮ ጉተረዝ ብወገኑ፡ ብረቡዕ ብዛዕ ልዝብ ኣመልኪቱ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ከምዝተዘራረበ ገሊጹ። ኣብዚ እዋን ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዘተ ንኽገብሩ ዝቐርበሎም ዘሎ ተደጋጋሚ ዘጻውዒት ተሓሲመሞ'ዮም ዘለዉ። ሓይልታት ትግራይ ኣብቲ ኵናተ ላዕለዋይ ኢድ ሒዞም ከምዘለዉ ብምእማን ምስ 'ክስዓር ዝቐረበ' መንግስቲ ክዛተዩ ቅሩባት ከምዘይኮኑ እዮም ዝገልጹ። ካቢነ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ምትሓዝ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ኣብ መላእ እታ ሃገር ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ደንጉጉ ይርከብ። ብዘይካ እዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ 'ዝኾነ ዓይነት ዕጥቅን ዓቕምን'ሒዙ ክቃለስ ጸዊዑ። ሕቡራት ሃገራት ከምዝሓበሮ ዝበዝሓ ካብቲ 7 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ተጸባዩ ህጹጽ ሰብዊ ሓገዝ ክኸውን እንከሎ ብውሕዱ 400,000 ኸኣ ሓደጋ ዓጸቦ ኣንጸላልይዎም ኣሎ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59159814"} {"headline":"ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ብሪጣንያውያን ካብ ኢትዮጵያ ክወጽኡ ተነጊሩዎም","content":"ዜጋታት ብሪጣንያ ብሰንኪ እቲ ካብ ትግራይ ተበጊሱ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒሙ ዘሎ ኵናት፡ ካብ ኢትዮጵያ ክወጽኡ ተነጊርዎም። መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ዜጋታቱ ናብ ኢትዮጵያ ከይገሹ'ውን ኣጠንቁቑ ኣሎ። መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ እቲ ዓመት ኣቑጺሩ ዘሎ ኵናት፡ ካብዚ ዘለዎ ንላዕሊ ክጋደድ ከም ዝኽእል ብምስጋእ'ዩ ንዜጋታቱ ዘጠንቅቕ ዘሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ክንደይ ብሪጣንያውያን ከም ዘለዉ'ኳ እንተዘይተሓበረ፡ ሰብ መዚ ዓባይ ብሪጣንያ ግን ኣብ ኢትዮጵያ ኣማኢት ብሪጣንያውያን ክህልዉ ከም ዝኽእሉ'ዮም ግምት ሒዞም ዘለዉ። ነቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ትግራይን ፌዴራልን ዝጀመረ ኵናት ዓመት ኣብ ዘቑጸረሉ፡ ዝርገሕኡ ካብ ትግራይ ሓሊፉ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒሙ ይርከብ። ክሳብ ሕጂ ነቲ ግጭት ንምዕራፍ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት'ኳ ይግበር እንተሎ እቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ግን ናብ ሓደ ስምምዕ ክበጽሑ ኣይክኣሉን ዘለዉ። ሓይልታት ትግራይ ነታ ኣብ 28 ሕዳር 2020 ብሓይሊ ዝገደፍዋ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ፡ 28 ሰነ 2021 ተመሊሶም ምስ ሓዝዋ፡ ነቲ ኵናት ላዕለዋይ ኢድ ብምሓዝ'ዮም ዝቅልስዎ ዘለዉ። ናብ ውሽጢ ክልል ኣምሓራ ብምእታው ዓበይቲ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ድሕሪ ምሓዞም ከኣ ንኣዲስ ኣበባ ክሕዝዋ ይግስግሱ ዘለዉ ምዃኖም'ዮም ዝንገር። ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ኮመንዌልዝ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ዝምጽእ መዓልታት ዜጋታት ካብ ኢትዮጵያ ምውጻእ ክኽብድ ከም ዝኽእል ብምሕባር፡ ዜጋታት ዓባይ ብርጣንያ \"ንግዳውያን ነፍርቲ ኣብ ንጡፍ በረራታት እንከለዋ\" ካብ ኢትዮጵያ ክወጽኡ ተማሕጺኑ። ብምስዓብ \"ፖለቲካውን ጸጥታውን ነገራት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ እንተበጺሑ፡ ኤምባሲ ብሪጣንያ ኣባላቱ ብምጉዳል ውሑድ ደገፋት ጥራይ እዩ ክገብር ዝኽእል። ኣብ እዋን ሓደጋ ብመንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ክትወጽኡ ከይተጸበኹም ሕጂ ክትወጽኡ ንምሕጸን\" ኢሉ። እቲ መግለጺ ብምስዓብ፡ ብዘይካ ብዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝግበር በረራታት ዝኾነ ብሪጣንያዊ ናብ ካልእ ክፋል ኢትዮጵያ ከይገይሽ'ውን ኣጠንቂቑ ኣሎ። ሕቡራት ሃገራት'ውን እቲ ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ኵናት ደው እንተዘይኢሉን ካብዚ ዘለዎ ንላዕሊ እንተቀጺሉን ኢትዮጵያ ናብ ሓደገኛ ኩነታት ከተምርሕ ከም እትኽእል ኣጠንቁቑ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59230175"} {"headline":"ሕቡራት ሃገራት ናብ ከተማ መቐለ ዝገብሮ በረራታት ከምዘቋረጾ ኣፍሊጡ","content":"ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ከተማ መቐለ ዝገብሮ ዝኾነ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት በረራታት ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ከምዘቋረጾ ኣፍሊጡ። ወሃቢ ቃል እቲ ውድብ ስቲፈን ዱጅሪክ፡ ትማሊ ዓርቢ 22 ጥቅምቲ ናብ መቐለ ዝተጉዓዘት ነፋሪት እቲ ውድብ ምዕላብ ስኢና ናብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምምላሳ እዩ፡ እቲ በረራታት ደው ክብል ከምዝተገበረ ዝሓበረ። ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዓርቢ ቅድሚ ቀትሪ ንራብዓይ መዓልቱ ኣብ ከተማ መቐለ ደብዳብ ነፋሪት ክፍጽም እንከሎ በዚ ድማ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ከምኡ’ውን ማእከል እዚ ምንባሩ ዝገለጾ ቦታታት ዕላማ ከም ዝገበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ። ወሃቢ ቃል ሕወሃት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ግና እቲ ደብዳብ ኣብ ከባቢ መቐለ ዩኒቨርሰቲ ከምዝተፈጸመ ብትዊተር ገሊጹ። ሕቡራት ሃገራት ነቲ ናብ መቐለ ዝግበሩ በረራታት ቅድሚ ምእጋዱ እታ 11 ገያሾ ዝሓዘት ነፋሪት ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሳ ናብ መቐለ እኳ እንተተጓዓዘት፡ ከይትዓልብ ስለዝተኸልከለት ናብቲ ዝተበገሰትሉ ክትምለስ ከምዝተገደደት እቲ ወሃቢ ቃል ምዝራቡ ሮይተርስ ጸብጺቡ። እቲ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት በረራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ክብገስ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓድ ተዋሂብዋ እኳ እንተነበረ፡ “ካብ ማእከል ምቁጽጻር በረራታት መቐለ፡ ከይትዓልብ ተሓቢራ” ኢሉ ስተፌን ዱጀሪክ። እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ፡ እታ ኣብ መቐለ ከይትዓልብ ዝተኸልከለት ነፋሪት ሕቡራት ሃገራት ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተመለሰት ብምሕባር እንታይ ከምዘጋጠመ “ብጥንቃቐ ክምርመር እዩ” ኢሉ። ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ንኣሶሽየትድ ፕረስ (ኤፒ) ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት በረራ ኣብቲ ስፍራ ምንባሩ ዝምልከቶም ሰበስልጣን ይፈልጡ ምንባሮም ብምግላጽ፡ እቲ ናይቲ ውድብን እቲ ወተሃደራውን በረራታት “ኣብ ዝተፈላለየ እዋንን ኣንፈትን እዩ ነይሩ” ኢሉ። ኣብ መንጎ እተን ኣብቲ ዕለት ደብዳብ ዝፈጸማ ነፈርቲ ኲናትን ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነፋሪትን ዝነበረ ኩነታት ብዝምልከት ንጹር ዝኾነ ሓበሬታ ከም ዘየሎ ኤፒ ገሊጹ። ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ድሕሪ እቲ ደብዳብ ነፋሪት ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ እታ ነፋሪት ሕቡራት ሃገራት ኣብ እትበረሉ ሰዓት እቲ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ነታ ነፋሪት ከምመጋገዪ ብምጥቃም ብጸረ ነፈርቲ ከም እትህረም ንምግባር ዝዓለመ ምንባሩ ከሲሱ። እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ንደሓር ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምስፍሑ ስዒቡ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ምብጻሕ ኣጸጋሚ ኮይኑ ምህላው ዝገልጽ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘድልዮም ይሕብር። ተወሳኺ ብነፋሪት ዝግበር ሰብኣዊ ረድኤት ብመገዲ ኣዲስ ኣበባ ናብቲ ክልል ከምዝበጽሕ ይገብር እኳ እንተሎ ሕጂ’ውን እቲ በረራታት ምቁራጹ ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ጸገም ከምዝፈጥር ይግለጽ። እቲ ሓደ ዓመት ክመልኦ ተቓሪቡ ዘሎ ኲናት ኣብዚ እዋን ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብከቢድ ኩነታት ክቕጽል እንከሎ፡ መንግስቲ ፌደራል ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ተደጋጋሚ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ከተማ መቐለ ኣካዪዱ ኣሎ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59020488"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ክዝቲ እዩ","content":"ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ኣዲስ ኣበባ ንምቁጽጻር ኣብ ዝደፍእሉ ዘለዉ እዋን ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ኣብ ጉዳይ ቅልውላው ሰሜን ኢትዮጵያ ክእከብ ምዃኑ ተገሊጹ። እዚ ኣብ ኒውዮርክ ዝካየድ ኣኼባ እቲ ኣስታት ሸሞንተ ሚሊዮን ሰባት ንሰብኣዊ ቅልውላው ኣቃሊዑ ዘሎ ቅልውላው ክዝቲ ምዃኑ ይግለጽ። እቲ ባይቶ ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅመር ንድሓር ን11 ዓሰርተ ግዜ እንተተኣከበ'ውን እቲ ኲናት ንከብቅዕ ዝገብር ጭቡጥ መፍትሒ ኣይተረኽቦን ጸኒሑ። ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘሳለጦ ኣኬባ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት እናተጋደደ ምኻዱ ከም ዘተሓሳሰቦ ብምግላጽ ብህጹጽ ጠጠው ክብል ጸዊዑ'ዩ። ብ15 ኣባላት እቲ ባይቶ ተቐባልነት ረኺቡ ኣብ ዝወጽኦ መግለጺ ድማ ኩሎም ተሳተፍቲ እቲ ኲናት፡ \"ዘላቒ ሰላም ዘምጽእ ምቁራጽ ተጻብኦ ዘምጽእ\" ዝርርብ ክጅምሩን ንኹሉ ዝሓቁፍ መድረኽ ዘተ ክካየድን ጸዊዑ። ብተወሳኺ ኩሎም ወገናት \"ካብ ሓደገኛ ጽልኢት ዘስርጹን ጎንጽን ምክፍፋልን ዘለዓዕሉን ዘረባታት\" ክቑጠቡ ኣተሓሳሲቡ እዩ። ኣብቲ ቤት ምኽሪ ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር ስልጣን ዘለወን ቻይናን ሩሲያን ቅድም ኢሎም ኣብ ዝተኻየዱ ኣኼባታት እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ውሽጣዊ ጉዳይ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዘን ምጽንሐን ይዝከር። ኣመሪካ ብወገና፡ እቲ ጎንጺ ጠጠው ንክብልን ልዝብ ንክጅመርን ጸቕጢ ንምሕዳር ብዝብል፡ ሚሊዮናት ዶላራት ንኢትዮጵያ ትህቦ ዝነበረት ሓገዝን ረድኤትን ጠጠው ክብል ገይራ እያ። ኣብ ዝሓለፈ ቐዳመ ሰናብቲ ላዕለዎት ሰብ መዚ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃን ናብ ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ብምኻድ ምቁራጽ ተጻብኦ ክግበርን ነቶም ህጹጽ ሓገዝ ዝደልዩ ሚሊዮናት ውሑድ መገዲ ክኽፈትን ከም ዝሓተቱ ተገሊጹ። ብኻልእ ወገን፡ ትማሊ ዓሰርታት ኣሽሓት ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ንህወሓት ብምቅዋም ንመንግስትን ሰራዊት ምክልኻልን ዘለዎም ድጋፍ ዝገለጽሉ ሰልፊ ተቓውሞ ተኻይዱ እዩ። ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ዝርከቡ ሸውዓተ ሚሊዮን ዝኾኑ ሰባት ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘድልዮም ይግለጽ። ካብ ውሽጢ እቲ ሓሙሽተ ሚሊየን ረድኤት ዘድልዮ ህዝቢ ትግራይ፡ እቶም 400 ሽሕ ኣብ ኣፍ ዓጸቦ ይርከቡ ክብል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብተደጋጋሚ ክገልጽ ምጽንሑ ይፍለጥ። ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዓሲሉ ኣሎ። ትግራይ ድማ ብፍላይ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ኣብ ኩለ መዳያዊ ዕጽዋ እያ ትርከብ። ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ብሰንኪ እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ዕጽዋ ሰብኣዊ ረድኤት ከብጽሑ ከም ዘይከኣሉ ብተደጋጋሚ ክገልፁ ጸኒሖም እዮም። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም፤ ልዕሊ ክልተ ሚልየን ህዝቢ ካብ ቤቱን መረበቱ ተመዛቢሉ'ዩ። ብተወሳኺ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ህይወቶም ንምድሓን ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ተሰዲዶም።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59205350"} {"headline":"ኤርትራ ንኻልኣይ እዋን ኣባል ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኮይና ከተገልግል ተመሪጻ","content":"ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብሓሙስ ኣብ ዝወዓሎ መጋባእያ: ኤርትራ እትርከበን 18 ሃገራት ንዝቕጽል ሰለስተ ዓመታት ኣባላት ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኮይነን ከገልግላ መሪጹ። ኤርትራ ነቲ ውጽኢት ብሓጎስ ከም እተቐበለቶ ብምሕባር: መሰላት ዜጋታታ ንምጽናዕ ከም እትሰርሕን ኣብ መዳያት ኣገልግሎት ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ሕርሻዊ ምሕርቲ ምዕባይ፣ ድኽነት ኣብ ምጉዳልን ትሕተ ቅርጺ ኣብ ምምዕባልን ዓብዪ ስጕሚ ከም ዘመዝገበት ገሊጻ። ብዘይካ'ዚ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ምውሓስ ልዑል ኣበርክቶ ትገብር ምህላዋ ቀዋሚ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። እንተኾነ ኤርትራ እትርከበን ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝኽሰሳ ሃገራት ናብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ምምራጸን ነቲ ትካል ምድኻም ምዃኑ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክኸሱ ጸኒሖም ኣለው። ዓለምለኻዊ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣባል ሃገራት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንካሜሩን፣ ኤርትራ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ካልኦት \"ንመምዘኒታት ትካል ሰብኣዊ መሰላት እቲ ትካል ዘየማልኣ\" ሃገራት ካብ ምምራጽ ክቑጠባ ጸዊዑ ነይሩ። ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ጎድኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዃን ኣብ ትግራይ ጃምላዊ ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽን ስደተኛታት ብኣስገዳድ ናብ ሃገሮም ምምላስን ዝርከብዎ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸመት እያ እትኽሰስ። መንገስቲ እታ ሃገር ግና ነቲ ክሲ ይነጽጎ። ኤርትራዊ ዲፕሎማት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ነቢል ስዒድ ንምምራጽ ኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ሃገሩ \"ኣንጻር ንሰብኣዊ መሰላት ፖለቲካዊ መልክዕ ምትሓዝን ኣብ ልዕሊ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ንዝግበር ናይ ምፍርራሕ ፖለቲካን ንዝግበር ቃልሲ ክትቅጽሎ እያ ኢሉ። እታ እቲ ቤት ምኽሪ \"መዕቈሪ ፖለቲካዊ ኣድልዎታት\" እዩ ብምባል ኣብ 2018 ንርእሳ ካብቲ ትካል ኣግሊላ ዝነበረት ኣመሪካ'ውን 168 ድምጺ ብምርካብ ናብቲ ቤት ምኽሪ ዳግም ተመሊሳ ኣላ። ኤርትራ 144 ድምጺ ብምርካብ እያ ንካልኣይ እብረ ሰለስተ ዓመት ተመሪጻ ዘላ። እተን ተመሪጸን ዘለዋ 18 ሃገራት ካብ 1 ጥሪ 2022 ጀሚረን ኣብ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝርከብ ዝለዓለ ኣካል ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ከገልግላ እየን። ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት 47 ኣባል ሃገራት ዘለዎ ኮይኑ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝከታተል ዝለዓለ ኣካል እዩ። ኤርትራ ኣብ ጥቅምቲ 2018 ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ክትከውን ምምራጻ ዝዝከር ኮይኑ ሕጂ ንካልኣይ ጊዚኣ እያ ትምረጽ ዘላ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58923456"} {"headline":"ቅልውላዉ ኢትዮጵያ፡ ብውሕዱ 9 ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም","content":"ብውሕዱ 9 ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ኣባላት ስድራቤቶም ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ጸብጻባት ሓቢሮም። ሰብመዚ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰራሕተኛታት ከምዝበጽሕዎምን፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብህጹጽ ክፈትሖም ከምዝጸውዑን ኣፈኛ እቲ ትካል ካብ ኒውዮርክ ንሮይተርስ ገሊጹ። ብወገን ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣሲሮም ዘለዉ ሰራሕተኛታት ዝተዋህበ መግለጺ የለን። ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ዝተሓተ ሚኒስተር ኮሚኒኬሽን ዛጊት ግብረመልሲ ከምዘይሃበ ተፈሊጡ። እቶም ሰራሕተኛታትን ቤተሰቦምን ስለምንታይ ከምዝተኣስሩ ብንጹር ከምዘይተፈልጠ ኣገልግሎት ዜና ኤኤ-ኤፍ-ፒ ሓቢሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንተወለድቲ ትግራይ ይኣስሩ ከምዘለዉ ተሓለቕቲ ሰባዊ መሰላት ይኸሱ። ሰብመዚ መንግስቲ ግን፡ ምስ ሓይልታት ትግራይ ርክብ ንዘለዎም ጥራይ ዒላማ ከምዝገብሩ'ዮም ዝዛረቡ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ 8 ላዕለዎት ሓለፍቲ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ምስ ህወሓት ይውግኑ'ዮም ብዝብል ካብታ ሃገር ክወጹ ከምዝተገደዱ ይዝከር። ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ እቲ ምውጋን ከምዝነበረ ንዝተዛረባ ክልተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ካብ ስርሐን ብምእጋድ ካብ ኢትዮጵያ ክወጻ ኣገዲድወን ምንባሩ'ውን ይፍለጥ። ሰብመዚ ኢትዮጵያ ንትካላትን ሰራሕተኛታትን ክነቕፉ ጸኒሐም'ዮም። እቲ ውድብ ግን ዘይሻራዊ ምዃኑን ናይ ዝኾነ ጸግዒ ከምዘይወስድ ብምግላጽ ነቲ ክስታት ይነጽጎ። እንተኾነ ግና: ትካላት ረዲኤት ሕቡራት ሃገራት፡ ናብቲ ህጹጽ ሓገዝ ዝጽበ ዘሎ ኣብ ዞባ ኲናት ዝርከብ ህዝቢ ህጹጽ ረዲኤት ከየብጽሑ መንግስቲ ዕንቅፋታት ክፈጥረሎም ምጽንሑ ከማርሩ'ዮም ጸኒሖም። እዚ ናይ ሎሚ ስጉምቲ ድማ፡ ነቲ እናሓርፈፈ ክኸይድ ዝጸንሐ ዝምድና ዘግድድ ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59227038"} {"headline":"ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ኣርባዕተ ዲፕሎማት ኣየርላንድ ካብ ኢትዮጵያ ተሰጒጎም","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለው ሽዱሽተ ዲፕሎማሰኛታት ኣየርላንድ እቶም ኣርባዕተ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ካብታ ሃገር ክወጽኡ ኣዚዙ። ማዕኸናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ከም ዝጸብጸብኦ፡ እቶም ዲፕሎማሰኛታት ካብታ ሃገር ከም ዝተሰጎጉን ኣብ ውሽጢ ሰሙን ክወጽኡ ከም ዝተወሰነን ሓቢረን። መንግስቲ ኣየርላንድ ነዚ ዘረጋገጸ ኮይኑ፡ ሃገሩ ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ጎንጺ ኢትዮጵያ ብዘለዋ መርገጺ ዲፕሎማታ ካብ ኢትዮጵያ ከም ዝተሰጎጉ ኣፍሊጣ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቶም ኣርባዕተ ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ውሽጢ ሰሙን ካብታ ሃገር ክወጽኡ ዕድል ተዋሂቡዎም ኣሎ ኢሉ። እቲ ኣምባሳደርን ሓደ ሰራሕተኛ እቲ ኤምባስን ግን ክጸንሑ ተፈቒዱሎም። ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ሲሞን ኮቬኒ ነቲ ውሳነ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ \"ኣየርላንድ ኣብቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ጎንጽን ሚሊዮናት ተጸበይቲ ረድኤት ዝገበረ ሰብኣዊ ቅልውላውን ብዝምልከት ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ብዘለዋ መርገጺ\" ከም ዝኾነ ካብ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ መብርሂ ከም ዝተዋህቦም ሓቢሩ። እንተኾነ ኣየርላንድ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት መድረኻትን እተንጸባርቖ መርገጺ \"ምስቲ ቤት ምኽርን ሕብረት ኤውሮጳን ዝሰማማዕ'ዩ\" ኢሉ። እቲ ውሳነ ከም ዘሕዘኖ'ውን ብምግላጽ እቲ ኤምባሲ ግን ክፉት ኮይኑ ከም ዝጸንሕ ሓቢሩ። ኣየርላንድ ካብ 1994 ጀሚራ ኣብታ ሃገር ኤምባሲ ክትኸፍት እንከላ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ዘይኮነ መንበር ኣለዋ። እቲ ኤምባሲ ድማ ኣየርላንድ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ንዘለዋ ርክብ ይከታተል። እታ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ግዚያዊ ዝኾነ መንበር ዘለዋ ኣየርላንድ ነቲ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ብኽልቲኡ ወገናት ዝፍጸም ግህሰታት ኣብ ምኹናን ዋና እያ ኮይና ጸኒሓ። ካብ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ኢትዮጵያ ክስጎጉ እንከለው ሓሙሽተ ኣብ ቀይዲ ይርከቡ። ክሳብ ሕጂ ንማእሰርቶም ብዝምልከት ዝተዋህበ ምኽንያት የለን። እዚ ድሕሪ እቲ ኢንግሊዝን ኣመሪካን ሓዊሱ ዜጋታትን ብቕልጡፍ ካብታ ሃገር ክወጽኡ ዘቕርብኦ ዘለዋ መጠንቀቕታ ዝመጽአ ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ከበድቲ ውግኣት ይካየዱ ምህላዎም ይግለጽ። እቶም ናብ ኣዲስ ኣበባ ገጾም ይግስግሱ ምህላዎም ዝገልጹ ሓይልታት ትግራይ ድማ ካብ ኣዲስ ኣበባ 200 ኪሎ ሜትር ርሒቖም ምህላዎም ይሕብሩ። መንግስቲ ግን ነዚ ይነጽጎ። መንግስቲ ቀደማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ሃገሩ ደጋዊ ጸቕጥን ምትእትታው ሃገራት ምዕራብን ከም ዝበዝሓን ዝተዋደደ ጎስጓስ ሚዲያታት ይካየደላ ከም ዘሎን ይገልጽ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ዲያስፖራ ተቐማጦ ኣመሪካን ከተማታት ኤውሮጳን ንመንግስቲ ዘለዎም ድጋፍ ዝገልጽሉ ሰልፍታት ተቓውሞ ኣካይዶም ነይሮም።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59387793"} {"headline":"ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ኲናት ትግራይ ብዝዛመድ ካልኣይቲ ሓላፊት ኣደስኪሉ","content":"ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ኲናት ትግራይ ብዝዛመድ ምስ ክብርታት እቲ ውድብ ዝጻረር ርእይቶ ሂባ ዝበላ ካልኣይቲ ሓላፊቱ ካብ ኢትዮጵያ ጸዊዑ። ሓላፊት 'ፖፒዩሌሽን ፈንድ' ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዴኒኣ ጌይል፡ ከምዘተጸወዐት ዓለምለኸ ወኪል ዜና ኤኤፍፒ ትማሊ ምሸት ጸብጺቡ። ሓላፊት ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (IOM) ኣብ ኢትዮጵያ፡ ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተሓሓዝ ብዝሃበቶ ክብርታት'ቲ ውድብ ዘይገልጽ ዘይገልጽ ምዃኑ ዝተሓበረ ርእይቶ ምክንያት፡ ብኣስገዳድ ዕረፍቲ ካብ ስርሓ ተኣልያ ክትጸንሕ እቲ ትካል ምውሳኑ ዝዝከር እዩ። እዘን ሓለፍቲ ፖፒዩሌሽን ፈንድን አይኦኤምን፡ 'ንሓይልታት ትግራይ ይርህርሁ እዮም' ብዝበለኦም ላዕለዎት ሓለፍቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዕሽሽ ከምዝተብሃላ ምዝራበን ኤኤፍፒ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ። ክልቲአን ላዕለዎት ሓለፍቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስቲ ፌገዴራል ኣብ ትግራይ ዝኣወጆ ኲናት ደጊፉ ብዙሕ ርእይቶታት ንዝጽሕፍ፡ ጄፍ ፒርስ ዝተብሃለ ውልቀሰብ፡ ብምስጢር ነዊሕ ቃለ መሐትት ሂበን እየን። ኣቺየንግ፡ ኣብቲ ኣካዪዳቶ ዝተባህለ ቃለመሕትት፡ ምስ ህወሓት ምድንጋጽ ኣለዎም ዝብሃሉ ሓለፍቲ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ነቶም ኣብ ትሕቲኦም ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት ኣግሊለሞም ኢላ ክትዛረብ ይስማዕ። ንሳ፡ ኣብቲ ቃለ መሐትት ንህወሓት \"ረሳሕ\" ን \"ጨካን\"ን ዝብሉ ቃላት ክትገልጾም ትስማዕ። ሓላፊት ፖፒዩሌሽን ፈንድ ጌይል ድማ፡ ነቶም ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ኣተሓባበርቲ ስራሕቲ ሰብኣዊ ረድኤት ነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ሓለፍቲ እቲ ውድብ ብምዝላል ምስ ዋና ቤት ጽሕፈት ይራኸቡ ኢላ ትከስስ። እዚ ኣብ ውሽጢ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ዘይምርድዳእ ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ ተባሂሉ። እተን ላዕለዎት ሓለፍቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ናብ ዋና ቤት ጽህፈት ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦ ናብ ከተማ ኒውዮርክ ምጽወዐን ነቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ዝገደደ ከየተኣጓጉሎ ድማ ይስጋእ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ኣይኦኤም ዝተወስደ ስጉምቲ ሕጉስ ከምዘይኮነ፡ ወሃቢት ቃል ቀዳማይ ሚኒስተር ቢልለኔ ስዩም ተዛሪባ ነይራ። ቢልለኔ፡ \"ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ኣሸባሪ ጉጅለ ህወሓት ወጊኑ ትካላዊ ኣድልዎ ምፍጻሙ ብግልጺ ስለዝተዛረበት ኣብ ልዕሊኣ ዝወተወስደ ምምሕዳራዊ ኣስገዳድ ዕረፍቲ ዝርብሽ እዩ\" ክትብል ኣብ ትዊተር ኣስፊራ። ኣብዚ ቀረባ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሸውዓተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኢዶም ኣእትዮም ብዝብል ክሲ ካብታ ሃገር ክወጹ ከምዝኣዘዘ ይዝከር። እንተኾነ፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኢትዮጵያ ሓለፍቲ እቲ ውድብ ክተባርር ስልጣን ከምዘይብላን ብቕልጡፍ ናብ ስረሖም ክምለሱ ክትፈቅድን ምግላጹ ይዝከር።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58881536"} {"headline":"ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ብመትከል ዘይሻራዊነት ከም ዝሰርሕ ኣፍሊጡ","content":"ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ብመትከል ብዘይሻራዊነት ተቐይዱ ብዘይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ዝንባለ ስራሕቱ ከም ዘሳልጥ ገሊጹ። ብፍላይ ምስ ታሽዓይ ወርሑ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ትግራይ ብዝተኣሳሰር ኤጀንሲታት እቲ ውድብ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ፣ ንሓደጋ ጥሜት ዝተቓልዑ ሰባት ህጻናትን ኣመልኪቶም ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ከውጽኡ ምጽንሖም ዝዝከር እዩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ \"ኤጀንሲታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ትካላት ሰብኣዊ ረድኤትን ‘ንሓደ ወገን ዘዳሉ ፖለቲካዊ ሓገዝ ገይሮም’ እናተባህለ ብሃገራዊ ማዕኸናት ዜናን ማሕበራዊ ሚዲያን ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ኣሰኪፉኒ\" ኢሉ። እቶም ኤጀንሲታት ኮነ መሓዙት ትካላት ዝገብሩዎ ሰብኣዊ ረድኤት “ናጻ ኮይኖም ብሰብኣውነትን ዘይሻራውነትን ዝግዝኡ’ዮም” ብምባል በዚ መትከል ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ኢትዮጵያ ሓገዝ ንዘድልዮም ሰባት ይበጽሑ ምህላዎም ሓቢሩ። ኣብ ቀረባ እዋን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ብኲናት ትሕመስ ዘላ ትግራይ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ንሓይልታት ትግራይ ይሕግዙ ኣለው ኢሉ ምኽሳሱ ሓደገኛ እዩ ክብል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቒፉ ነይሩ። ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቲ ምስ ገለ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ዘለዎ ዝምድና ዳግም ንምጽናዕን ገሊኦም'ውን ካብ ሃገር ንምስጓግ ከም ዝግደድን ምግላጹ ይዝከር። ንሱ፡ ገለ ሰብኣዊ ሓገዝ ነብፅሕ ዝብሉ ትካላት'ውን እቲ ኲናት ክቕፅል ይገብሩ ኣለው’ዮም ዝብል ክሲ ኣቕሪቡ ነይሩ። \"እቲ ጉዳይ በዚ ዝቕጽል እንተኾይኑ፡ መንግስቲ ሃገር ናይ ምድሓን ሓላፍነት ስለ ዘለዎ ምስ ገሊኦም ሓቢርካ ምስራሕ ዳግም ክርእዮን፡ ገሊኦም ካብ ሃገር ንምውፃእ ግደድ እዩ\" ምባሉ ይዝከር። ካብዚ ብዝብገስ ገለ ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት፡ ኣብ ጎኒ ሓይልታት ትግራይ ከም ዝኾኑን ናይ ረድኤት መኪና ከም ዝተሓባበሩዎም ይኽሰሱ። ሓላፊ ኤጀንሲ ሰብኣዊ ሓገዝ ማርቲን ግሪፊቲዝ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ምብጻሕ ሽዱሽተ መዓልታት ዛዚሙ እንትምለስ፡ ብፍላይ በቲ ኣብ ትግራይ ዝረአዮ ዓጸቦን ሓደጋ ጥሜትን ኣዝዩ ከም ዝሓዘነ ገሊጹ እዩ። ማዕኸን ዜና ኤኤፍፒ ንማርቲን ግሪፊቲዝ ጸሪሑ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻበ ድማ “ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ዝቐርብ ዘሎ ጠቐነ ጠጠው ክብል ኣለዎ” ምባሉ ይፍለጥ። ወሲኹ “እዚ ሃናጺ ወይ ፍትሓዊ ኣይኮነን፤ እቲ ዝቐርብ ዘሎ መረዳእታ እንተሃልዩ ብግልጺ ክቐርብ ኣለዎ እምበር ሓደገኛ እዩ” ኢሉ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ተጸባዪ ረድኤት ክኸውን እንከሎ፡ ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ኣብ ኣፍ ዓጸቦ ከም ዘለው ጸብጻብ እቲ ትካል ይሕብር። ቅድም ኢሉ ዳይሬክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዴቪድ ቢዝሊይ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ዘለዎ ክዙን ምግቢ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ይውዳእ ከም ዘሎ ኣጠንቂቑ ነይሩ። መግቢ ንዘድልዮም ሰባት ሓገዝ ንምቕራብ ኣብ መዓልቲ 100 መኻይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ከም ዝግባእ ድማ ገሊፁ። ኣብዚ ሕዚ እዋን 117 እኽሊ ዝጽዓና ቃፍላይ መካይን ናብ መቐለ ከም ዝኣተዋ ተገሊጹ'ዩ። እንተኾነ፡ እዚ ካብቲ ናብቲ ክልል ክንቀሳቐሳ ዝግበኦ ሓገዝ ዓሰርተ ሚኢታዊ ጥራይ ምዃኑ ሓላፊት ዩኤስኤይድ ሳማንታ ፓወር ምግላጻ ይዝከር።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58237075"} {"headline":"ኩሎም ወገናት ኲናት ትግራይ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ","content":"መራሕቲ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ትግራይ ብውድብ ሕቡራት ዝካየድ ዘይሻራዊ ምጽራይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ገበናት ኲናትን ብምድጋፍ፡ ተሳትፎ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ተቓዊሞም። እቲ ትማሊ ኣማስዩ ዝወጽአ መግለጺ፡ ኣመራርሓ እቲ ክልል ኣብ ከይዲ ምጽራይ ዝተፈጸሙ ገበናት ከምዝተሓባበር ብምግላጽ፡ \"እንተኾነ፡ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን እቲ ኮሚሽነርን ኣብቲ መርመራ ዝህልዎም ግደ ኣትሪርና ንቃወም\" ኢሉ። እቲ መግለጺ፡ ወሲኹ'ውን እቲ ኮሚሽን ኣብቲ ክልል ዝተፈጸሙ ገበናት ኣብ ምሽፍፋን፣ መሰኻኽር ዓይኒ ኣብ ምስዋርን ከምዝሳተፍ፡ ከምኡ'ውን ንመንግስቲ ከም ርክብ ህዝቢ ኮይኑ የገልግል ከምዘሎ ይኸስስ። እቲ ኮሚሽን ብዛዕባ እዚ ክሲ ዛጊድ ዝሃቦ ምላሽ የለን። ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን ኢትዮጵያ፡ ኮሚሽነሩ ብቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኣቕራቢነትን ዝሽወምን፡ እቲ ኮሚሽን ብመንግስታዊ ባጀት ዝመሓደርን እንተኾነ'ኳ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ብዘይሻራዊነት ዝካተትል ሙሉእ ናጽነት ዘለዎ ትካል ምዃኑ ይገልጽ። ብኹሎም ተነሓናሕቲ ወገናት ኲናት ትግራይ ከቢድ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ይፍጸም ከምዘሎ ሓላፊት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቓ። ሚሸል ባቸለት፡ ውጽኢት ናይቲ ብምትሕብባር ንሳ ትመርሖ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ውሱን መራመራ ምዝዛሙ ኣመልኪታ እያ መግለጺ ሂባ። ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ተሓበበርቶምን፡ ጃምላዊ ማእሰርቲ፣ ቅትለት፥ ጾታዊ ዓመጽ፣ ሰፊሕ ዝምታ፣ ምፍንቓልን ምቕያድ ሲቪላውያንን ፈጺሞም ክትብል ከሲሳ። ሓይልታት ትግራይ'ውን፡ ህጻናት ከምዘዕጠቑ፣ ኣብ ጎረባብቲ ክልላት ንሲቪላውያን ከምዘጥቅዑን ሰፊሕ ምፍንቓልን ከምዘስዓቡ ኣብቲ ኣብ ጀነቫ፡ ስዊዘርላንድ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ሓቢራ። ውጽኢት ጸብጻብ፡ እቲ ካብ ግንቦት 16 ክሳዕ ነሓሰ 20 ዝተኻየደ ሓበራዊ ምጽራያት፡ 1 ሕዳር 2021 እዩ ዕላዊ ክኸውን ተባሂሉ። እቲ ዝተኻየደ ሓባራዊ መጽናዕቲ፡ ኣብ ከተማ መቐለ፡ ምብራቕን ደቡብን ትግራይን፡ ከምኡ'ውን ከባብታት ውቕሮ፣ ሳምረ፣ ኣላማጣ፣ ቦራ፣ ዳንሻ፣ ሑመራን ምይካድራን ዝሸፈነ ኮይኑ፡ ብወተሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ሰፊሕ ግፍዒ ከምዝተፈጸመሎም ብነበርቲ ዝንገረሎም፡ ጥንታዊት ከተማ ኣክሱም እትርከቦም ማእከላይ ዞባን ምብራቕ ዞባን ትግራይ 'ብሰንኪ ጸጥታዊ ብድሆታት' ክብጻሕ ከምዘይተኻእለ ተገሊጹ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል: ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝተሳተፉ ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ኣክሱም ብኣማኢቲ ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉ ዘረጋግጹ መረዳእታታት ከም ዝኣከበ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ ነይሩ። ኤርትራ ብወገና ነቲ ዝቐረበላ ክሲ ምንጻጋ ይዝከር። \"እቶም ዝተኣከቡ ሰነዳት ግን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዝበጽሐ መጥቃዕቲ፣ ጃምላዊ ቅትለትን ግዱድ ምስዋርን ዝርከቡዎም ብርክት ዝበሉ ከበድቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝተፈጸሙ ግልጺ ዝገብሩ'ዮም\" ትብል ባቸለት። ኩሎም ወገናት፡ ብዘይቅድመኩነት ተጻብኦታት ብምቁራጽ፡ ነባሪ ፍታሕ ከናድዩ ጸዊዓ። ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶክተር ዳንኤል በቀለ ብወገኑ እቲ ዝተኣከበ ሓበሬታ ኣብ ምትንታን ከም ዘሎ ብምግላጽ ብመሰረት ክልቲኦም ትካላት ዝበጽሑዎ ስምምዕ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021 ወግዓዊ ከም ዝኸውን ገሊጹ። ኣብ ፈለማ ወርሒ ሓምለ ንኣዋጅ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ መንግስቲ ፌደራል ስዒቡ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ውሑስ ኩነታት ተፈጢሩ እኳ እንተነበረ፡ ብምኽንያት ህወሓት ዘቕረቦ ቅድመ ኹነትን እቲ ጎንጺ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ብምስፍሑን ተወሳኺ ሰብኣዊ ቅልውላው ክፍጠር ምኽንያት ከም ዝኾነን ገሊጹ። \"ካብ ክልቲኦም ወገናት ዝቐርብ ዘሎ ድሩት ናይ ልዝብ ድልየትን ጻዕሪ ማሕበረሰብ ዓለምን ዝተበባዕ'ዩ፤ እንተኾነ ዓለምለኻዊ መሓዙት ኢትዮጵያ እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝገብርዎ ዘለው ጻዕሪ ሃናጺ ተራ ዝህልዎ ንታሪኽን ዝተሓላለኸ ኩነታት እቲ ግጭትን ዘለዎም ኣረዳድዳኣ ኣብ ግምት ዘእተወ ምስ ዝኸውን እዩ። \"ኣባላት እዚ ቤት ምኽርን ማሕበረሰብ ዓለምን ሕጂ'ውን ንስቓይ ኢትዮጵያውያን ፍታሕ ዝህብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምዃኑ ክግንዘቡ ይግባእ\" ኢሉ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ህዝብን ኣፍሪቃ ብወገኑ ብውልቁ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዝተፈጸሙ ሰብኣዊ ግህሰታት መጽናዕቲ ከም ዘካየደ ብምግላጽ ኣብቲ ጎንጺ ሓይልታት ውሽጢ ዓድን ወጻእን ዝተሳተፉሉ'ዩ ኢሉ። ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኸበ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ ግን እቲ ኮሚሽን ዘካየዶ መጽናዕቲ ኣፍልጦ መንግስቲ ዘይረኸበ'ዩ ብምባል ከም ዘይቕበሎ ገሊጹ። መንግስቱ ነቶም ዝቐርቡ ክስታት ብውነ ወሲዱ ተሓታትነት ንምርግጋጽ ስጉምቲ ከም ዝወሰደ ብምግላጽ፡ ውጽኢታት እቲ ሓበራዊ መጽናዕቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ስበኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ተቐቢሉ ነቶም መንግስቲ ዝወስዶም ስጉምታት ሓጋዚ ተራ ክህልዎ ከም ዝኽእል ሓቢሩ። ይኹን'ምበር እቲ መጽናዕቲ ነቶም ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብሓይልታት ህወሓት ተፈጺሞም ዝብሃሉ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዘየካተተ ምዃኑ ጸብጻብ እቲ መጽናዕቲ ሙሉእ ምስሊ ዝህብ ኣይኸውንን ኢሉ። እታ ኮምሽነር ኣብ ትግራይ ኣብዚ ቀረባ እዋን ይፍፀሙ ኣለዉ ብዛዕባ ዝተብሃሉ ግህሰታት ነቲ ጉባኤ መብርሂ ሂባ። ሓይልታት መንግስቲ መሻርኽቱን ብዙሓት ግህሰታት ምፍፃሞም ቀፂሎም ኣለዉ ዝብሉ ፀብፃባት ይወፅኡ ከምዘለዉ ብምሕባር፡ ኣብዚ ቅነ ዝርብሹ ፀብፃባት በፂሖምና ኢላ። ሓላፊት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባቸለት፡ ኣብ ሞንጎ ዶብ ትግራይን ሱዳንን ኣብ ዝሳገር ሩባ ደንደስ ብዙሓት ሬሳታት ብገፈፍቲ ዓሳ ከምዝተረኸቡ ገሊፃ። ገሊኦም ብጥይት ዝቖሰሉን ኢዶም ንድሕሪት ኩሩንኩሪት ዝተኣሰሩን ምዃኖም ብምሕባር፡ እዚ ድማ ቅድሚ ምቕታሎም ስቓይን ግፍዕን ከምዝበፅሖም ዘመላኽት እዩ ኢላ። ኣብ ምዕራብ ትግራይ ወግዓዊ ኣብ ዘይተገበሩ ከባብታት መጠነ ሰፊሕ ማእሰርቲ ተጋሩ ይፍፀም ኣሎ ክትብል'ውን ከሲሳ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተወለድቲ ትግራይ ብብሄሮም እናተፈለዩ፡ ብሓይልታት ፀጥታ ከምዝተኣሰሩን ካብዚኦም ብኣማኢት ዝኾኑ ኣብዚ ቀረባ ግዘ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ እንትኾኑ፡ ብዙሓት ትካላት ንግዶም ከምዝተዓፀዉ ሓበሬታ በፂሑና'ዩ ኢላ። ኣብዚ ሰሙን፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ \"ብገበን ተጠርጢሮም\" ብዝብል ብዛዕባ ዝተኣሰሩ ተወልድቲ ትግራይን ምዕፃው ትካላት ንግድን፡ ብዙሕ ጥርዓናት በፂሑኒ ኢሉ ኔሩ። ኣብ ቀይዲ ካብ ዘለዉ ተወልድቲ ትግራይ እቶም ዝተወሰኑ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ክልል ዓፋር ናብ ዝርከቡ ወተሃደራዊን ካምፕታት ፖሊስን ከምዝተወሰዱ፡ ምስ ስድርኦምን ጠበቓታቶምን ዘይተራኸቡን ናብ ቤት ፍርዲ ዘይቐረቡ ከምዘለዉን ንምፍላጥ ከምዝኸኣለ'ውን እቲ ኮሚሽን ገሊፁ። ባቸለት ሕዚ'ውን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ብናይ ፅልኢ ዘረባታትን ኣድልዎን ዝተመልኡ ዘረባታት ይስምዑ ከምዘለዉን ከምዚኦም ዓይነታት ተረኻት ታይ ዓይነት ሓደጋ ከስዕቡ ከምዝኽእሉ ካብ ታሪኽ ምምሃር ከምዝግባእ ኣገንዚባ። ኣብ ትግራይ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ፈፂሞም ንዝተብሃሉ ሓይልታት ኤርትራ ተሓታትነት ክሰፍን ድማ፡ ፃውዒታ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣቕሪባ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ምእታዎም ስዒቡ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ፈፂሞም ዝብሉ ፀብፃባት ከምዝበፅሓ ነቲ ጉባኤ ኣብሪሃ። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ኣብ ክልል ዓፋር ቀበሌ ጋሊኮማ፡ ሓይልታት ትግራይ ብኣብዝሓ ደቂኣንስትዮ፣ ህፃናትን ብዕድመ ዝደፍኡን ኣብ ዘፅልሉ መዓስከር ጥቕዓት ፈፂሞም ዝብል ሪፖርት ተጌሩ ኢላ። እንተኾነ፡ ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ሬዳ ኣብዚ ወርሒ ነሓሰ ብመገዲ ትዊተር ኣቢሉ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ዓፋር መጥቃዕቲ ፈጺሞም ንዝብል ክሲ ነፂግዎ ኔሩ። ንሱ ብተወሳኺ፡ ሓይልታት መንግስቲ ብ5 ነሓሰ 2021 ኣብ ልዕሊ ወታሃደራቶም፡ ጋሊኮማ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ መጥቃዕቲ ከፊቶም ከምዝነበሩን '' ንፅጉማት ዝተዳለወ ቐረብ ዝሓዘ መኽዘን መንግስቲ ኣቃፂሎም ከይዶም'' ክብል ብትዊተር ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ገሊፁ፡፡ ነቲ ተፈፂሙ ዝተባህለ መጥቓዕቲ ንምፅራይ ድማ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ሓቢሮም ክሰርሑ ፍቓደኛታት ከምዝኾኑ ምፍላጡ ይዝከር። ሓይልታት ትግራይ፡ ህፃናት ከምዘዕጠቑ፣ ኣብ ጎረባብቲ ክልላት ንሲቪላውያን ከምዘጥቅዑን ሰፊሕ ምምዝባልን ከምዘስዓቡ ኣብቲ ኣብ ጀነቫ፡ ስዊዘርላንድ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣብ ዝሃበቶ መግለፂ ሓቢራ። እቲ ኲናት ፍታሕ እንተዘይረኺቡ፡ ናብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከይልሕም ከም ዘስግኣ ኮሚሽነር ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባቸሌት ተዛሪባ። ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶክተር ዳንኤል በቀለ፡ ሃገራውያንን ሕጋውያንን ትካላት እታ ሃገር ዋላ'ኳ ፍፁም እንተዘይተብሃላ ናይታ ሃገር ቅልውላው ሰብኣዊ መሰል ንምፍታሕን ነቲ ኵናት ዘላቒ ፍታሕ ምንዳይ ከምዝኽእላ፡ ተሳተፍቲ እቲ ኵናትን ዓለምለኸ መሻርኽቲ ክርድኡ ይግባእ ኢሉ። ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ቅልውላው ክፈትሑ ዝፍትኑ ዓለምለኸ መሻርኽቲ ትርጉም ዘለዎን ሃናፅን ግደ ክህልዎም እንተደልዮም፡ ኩሉ ግዘ ናይዚ ሕልኽላኽ ፖለቲካዊ ቅልውላው ታሪኽ ሙሉእ ግንዛበ ሃልይዎም ክሰርሑ ኣለዎም ኢሉ። ሓላፊት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባቸለት ብወገና፡ ኣብ ትግራይ ምቁራፅ ኣገልግሎት ቴሌኮምዩኒኬሽንን ኢንተርኔትን ከምኡ'ውን ካልኦት መሰረተ ልምዓትን ከምዝተቛረፀ ብምዝኽኻር፡ ሕዚ'ውን ዓለም ለኻውያንን ኣህጉራውን ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይገደብ ናብ ትግራይ ክበፅሑ ከምዝግባእ ገሊፃ። ካብ ትግራይ ወፃኢ ንዘሎ ሕድሕድ ጎንፂ ንምግታእ፡ ተወሳኺ ፃዕሪ ከምዘድሊ ዝሓበረት ባቸለት፡ ናይዚ ምላሽ ወተሃደራዊ ክኾን ኣይኽእልን ኢላ። ኣብ ትግራይ ንዝተወልዐ ኵናት ብፖለቲካዊ ከይድን ልዝብን ጥራሕ ከምዝኾነን፡ ኩሎም ተፃባእቲ ሓይልታት ነቲ ኵናት ብዘይ ቅድመ ኩነት ደው ከብሉን ንዘላቒ ተኹሲ ደው ንምባል ክላዘቡን ድማ ፀዊዓ። እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ፡ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምልሓሙ ይፍለጥ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ዓፋር ከምዝወጹን፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ግን ውግእ ቀጺሉ ከምዘሎን ጸብጻባት ይገልጹ። ኣብቲ ኲናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝሞቱ ይንገር። ሚልዮናት ድማ ኣደዳ ምፍንቓል፡ ጥምየትን ዓጸቦን ክኾኑ ተገዲዶም ኣለዉ። ኣብቲ ፈለማ ኣዋርሕ ናይቲ ኲናት ጥራይ ልዕሊ 60 ሽሕ ካብቲ ኲናት ሃዲሞም ኣብ ሱዳን ተዓቚቦም ኣለዉ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58542092"} {"headline":"ሕቡራት ሃገራት ታሪኻዊ ጸብጻብ ክሊማዊ ለውጢ ወግዓዊ ክገብር'ዩ","content":"ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ዝተባህለ ጸብጻብ ክሊማዊ ለውጢ ሎሚ ወግዓዊ ክኸውን'ዩ፤ እዚ ኣብ ዓለም ዘሎ ሓቃዊ ምስሊ ዘርኢ'ዩ ተባሂሉ። እቲ መጽናዕቲ ብፓነል መንግስታት ክሊማዊ ለውጢ [IPCC] ዝተባህለ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝምወል ጉጅለ ዝተኻየደ ኮይኑ ልዕሊ 14 ሽሕ ሳይንሳዊ መጽናዕታት ዳህሲሱ ኣሎ። እዚ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ዓሰርታት ዓመታት ዓለማዊ ዋዒ ብኸመይ ከም ዝልወጥ ዝሕብር ኣዝዩ ዝተዋደደ መጽናዕቲ'ዩ ተባሂሉ ኣሎ። ተመራመርቲ \"ብሩህ ኣጠማምታ\" ዝሓዘ ሕማቕ ዜና ክኸውን ይኽእል'ዩ ይብሉ። ክኢላታት ስነ ኸባቢ ድማ መንግስታት፡ ዝወጽእ ካርቦን ንክንክዩ \"ዓብዪ መንቅሒ ደወል\" ዝህብ ክኸውን እዩ ኢሎም። 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ፓነል መንግስታት ኣብ ክሊማዊ ለውጢ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ዓለማዊ ዋዒ ዘሎ ሳይንስ ዝጠመተሉ ግዜ ኮይኑ፡ ተመራመርቲ ካብኡ ንድሓር ብዙሕ ተማሂርና ኢና ይብሉ። ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብዛ ዓለም ዝዓበየ ዓቐን ዋዒ፣ ባርዕ ጫካን ዘሰክፉ ሓደጋታት ውሕጅን ተራእዮም'ዮም። እቲ ፓነል ዘካየዶም ገለ መጽናዕታት ከም ዘመላኽቱዎ፡ ወዲ ሰብ ንክሊማዊ ለውጢ ዘበርክቶ ዘሎ ዘይግመቱ ለውጢታት ንኣማኢት ዓመታት ምናልባት'ውን ንኣሽሓት ዓመታት ዘይክቕየሩ ይኽእሉ'ዮም። ክኢላ ክሊማዊ ለውጢ ዩኒቨርሲቲ ሊድስ ፕሮፌሰር ፒረስ ፎርስተር እቲ ጸብጻብ \"ሎሚ ብዛዕባ ንጸሮ ዘለና ሓያሎ ጸቕጢታት ብዙሕ ዝብሎ ክህሉ'ዩ\" ኢሉ። ወሲኹ \"እቲ ጸብጻብ ብዙሕ ሕማቕ ዜና እንሰምዐሉን ናበይ ንኸይድ ከም ዘለና እንርእየሉን ክኸውን'ዩ፤ ግን ድማ ክሊማዊ ለውጢ ንምክልኻል ዘኽእሉ ስምምዓት ንክብጽሑ እወንታ ብሩህ ኣጠማምታ ዝህብ ክኸውን'ዩ\" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። እቲ ሓደ ተስፋ ዝገብረሉ ነገር ድማ ልቀት ካርበን ትሕቲ 1.5 ዲግሪ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ ዝብል'ዩ። ብ2015 ኣብ ፓሪስ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ዓለማዊ ዋዒ ብማእኸላይ ካብ 2 ዲግሪ ሴልሽየስ ዘይበልጽ ክኸውንን ካብ 1.5 ዲግሪ ሴልሽየስ ከይዛይድን ጻዕሪ ምግባር ዝብል'ዩ ነይሩ። ክኢላ ኣብ ሓይልን ክሊማን ናይ ዝሰርሕ ዘይመንግስታዊ ኣማኻሪ ጉጅለ ዝኾነ ሪቻርድ ብላክ \"እቲ ጸብጻብ ክሳብ ሕጂ ንዝቕጽሉ ዓሰርታት ዓመታት ልቀት ካርበን ንምንካይ ጭቡጥ መደብ ንዘየውጽኡ መንግስታት ዓብዪ መንቅሒ ደወል'ዩ። ሕጂ ዝውሰዱ ምርጫታት ኣብ መጻኢ ዕጫና ዓብዪ ጽልዋ ከም ዘለዎም ከርእየና'ዩ\" ኢሉ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58142471"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ከምዘሻቐላ ገሊጻ","content":"ኣመሪካ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ከም ዘሻቐላ ብምሕባር ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍጸም መጥቃዕትን ምፍራራሕን ደው ክብል ጸዊዓ። ወሃቢት ቃል ሚኒሰትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ጁሊና ፖርተር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ \"ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን [ህወሓት] ዝምድና ዘለዎም ወተሃደራዊ ሓይልታትን ብምልሻ ትግራይን ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፈጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ኣዚና ኢና ተሻቒልና ዘለና\" ኢላ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትግራይ ኣብ ወርሒ ጥሪ'ውን ብወተሃደራት ኤርትራ ቅትለት፡ ጭውያን በስገዳድ ናብ ኤርትራ ምምላስን ከም እተፈጸሞም ዘረድአት እታ ወሃቢት ቃል፤ ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ኣካላት ንስድተኛታት፡ ሓተትቲ ዑቕባን በቲ ኲናት ካብ መንበሪኦም ንዝተመዛበሉን ሰባት ከምኡውን ንሰራሕተኛታት ረድኤት ካብ ምጥቃዕን ምፍርራሕን ክቑጠቡ ጸዊዓ። ኣፈኛ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ባባር ባሎች ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ'ውን፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ሓደ ስደተኛ ብዕጡቓት ከም ዝተቐትለን እቶም ስደተኛታት ንሕጽረት ቀረብ ጽሩይ ማይን መግብን ተቓሊዖም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ተዛሪቡ። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ደሃይ እቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መዓስከራት ማይ-ዓይንን ዓዲ ሓሩሽን ካብ ዝረክብ ክልተ ሰሙን ተቖጺሩ ምህላው ገሊጹ። ኣብ'ቶም መዓስከራት ዝርከቡ ኣስታት 24 ሽሕ ስደተኛታት እቲ ወርሓዊ ዝወሃቦም ናይ መግቢ ሓገዝ ካብ ዝቕበሉ ሓደ ወርሒ ብምምልኡ ንጥምየት ተቓሊዖም ምህላዎም'ውን ባባር ባሎች ሓቢሩ። \"ኣብ ውሽጥን ኣብ ከባብን መዓስከር ስደተኛታት: ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሓይልታት ኲናት እናዓረገ ኣብ ዝመጸሉ እዋን: ዩኤንኤችሲኣር ዕጫ ናይቶም ኣብ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓስከራት ተዓጊቶም ዘለው ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዝዩ ተሻቒሉ ኣሎ። \"ኣብ ከባቢ ማይጸብሪ ኣብ መዓስከራት ማይዓይንን ዓዲ ሓሩሽን ኣስታት 24 ሽሕ ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሰብኣዊ ረድኤት ክረኽቡ ኣብ ዘይኽእልሉ ኩነታት፡ ምፍርራሕ፡ ክትራን እናኣጋጠሞም ኣብ ቀጻሊ ጭንቀት ይርከቡ''። ዝሓለፈ ሰሙን መራሕቲ ሓይልታት ትግራይ፡ ምፍንቓል ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ተፈጺሙ ዝተባህለ መጥቃዕትን ኣዝዩ ከም ዘሻቐሎም ገሊጾም ነይሮም። እቶም ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ሰላማውያን ሰባትን ዝተፈጺሞም ዝተባህሉ ገበናት'ውን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመረሖ ዘይሻራዊ ኣካል ከጻርዮም ጸዎዖም። ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልትታት ኣብ መዓስከር ማይ ዓይኒ ብውሕዱ ሓደ ስደተኛ ኣብ ውሽጢ መዓስከር ብዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ከም ዝተቐትለ ዝገልጽ \"ኣሻቓልን ዝእመንን ጸብጻብ በጺሑና ኣሎ\" ክብል ድማ ተዛሪቡ። ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ካልእ ስደተኛ ተቐቲሉ ምንባሩ ይዝከር። \"ዩኤንኤችሲኣር ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ወገናት ዓለምለኻዊ ግዴታታቶም ክዋጽኡ ይምሕጸን\" ክብል እቲ መግለጺ ጸዊዑ ኣሎ። እቶም ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ዘለው ሓይልታት መን እዮም? ነቶም ስደተኛታት ካብቲ ከባቢ ንምውጻእ ዝተገብረ ፈተነ ኣሎ ዶ? ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ባባር ባሎች \"ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ኮነ መሻርኽቱ ካብ ሓምለ 14 ንደሓር ካብቶም መዓስከራት ሓበሬታ ክረክብ ኣይከኣለን ኣሎ\" ኢሉ። \"ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኩነታት መዓልታዊ እናኸፍአ እዩ ክመጽእ ጸኒሑ። ኣብ ውሽጢ እቲ መዓስከራት ኮነ ኣብቲ ከባቢ መን እንታይ ይገብር ኣሎ ብልክዕ ንምፍላጥ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። \"እንተኾነ ግና ብረት ዝዓጠቑ ሰባት ኣብ ውሽጢ እቶም ክልተ መዓስከራትን ኣብቲ ከባብን ይንቀሳቐሱ ምህላዎም ዝገልጽ እሙን ጸብጻባት ኣሎ። ድሮ ድማ ህይወት ክልተ ስደተኛታት ኣጥፊኦም ኣለው\" ኢሉ። ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ንዝሓለፉ ክልተ ሳምንታት ምስቶም መዓስከራት ክራኸቡ ከም ዘይከኣሉ ዝገለጸ እቲ ኣፈኛ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ እቶም ተዓጊቶም ዘለው ስደተኛታት ህጹጽ ናይ ህይወት ኣድሕን ረድኤት ከም ዘድልዮም ተዛሪቡ። እቶም ስደተኛታት ናይ መግቢ ረድኤት ካብ ዝወሃቦም ሓደ ወርሒ ጌሮም ከም ዘለው ብምግላጽ ድማ ናይ ጥምየት ሓደጋ ኣንጸላልዩ ከም ዘሎ ሓቢሩ። \"ጽሩይ ዝስተ ማይ ይወዳእ ኣሎ። ዝኾነ ሕክምናዊ ኣገልግሎት የሎን። ናይ ጥምየት ሓደጋ ኣንጸላልዩ ኣሎ። እቲ ናይ መወዳእታ ዝተዓደለ ናይ መግቢ ሓገዝ ኣብ መዛዘሚ ወርሒ ሰነ ኮይኑ ንሓደ ወርሒ ጥራይ ከጽንሖም ዝኽእል እዩ\" ይብል። ብሰንኪ እቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልትታት ኣብ ክልል ዓፋር ዝካየድ ዘሎ ኲናት'ውን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ክመዛበሉ እንከለው ኣብቲ ክልል ዝነበሩ 55 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝነብሩሉ ከባቢታት ወተሃደራዊ ግጥማት ብምህላው እቶም ስደተኛታት ንሓደጋ ተቓሊዖም ምህላዎም ባባር ባሎች ገሊጹ። ትካል ጉዳያት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኢትዮጵያ (ኣራ)፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ነቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርከቡሉ ከባቢታት ድሕሪ ምቁጽጻሮም እቶም ስደተኛታት ነቲ ኲናት ዝውዕል ዓይነታውን ገንዘባውን ሓገዛት ከበርክቱ ይግደዱ ኣለው ክብል ከሲሱ ነይሩ። እቲ ዝበዝሕ ከባቢታት ትግራይ ተቖጻጺሩ ዝርከቡ ሓይልታት ትግራይ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ጸብጻባት ምፍንቓልን መጥቃዕትን ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዘሻቐሎም ብምግላጽ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ሰላማውያን ሰባትን ዝተፈጸሙ ኩሎም ገበናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመርሖ ዘይሻራዊ ኣካል ከጻርዮም ምጽውዑ ይዝከር። ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ኲናት ትግራይ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ምስ ተወለዐ ልዕሊ 96,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዝወደቑ ይፍለጥ። ብፍላይ እተን ኣብ ሰሜናዊ-ምዕራብ ትግራይ ተደኲነን ዝነበራ መዓስከራት ሽመልባን ሕንጻጽን ኣብቲ ኲናት ፍጹም ስለ ዝዓነዋ ልዕሊ 21,000 ነበርተን ግዳይ ቅትለት፡ ጭውያ፡ ምብትታንን ኮይኖም ምህላዎም ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ። ኣስታት 9,000 ካብኦም ናብ መዓስከራት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ከምዝገዓዙ መግለጺ ትካል ስደተኛታት ኢትዮጵያ ይጠቅስ። ካልኦት ልዕሊ 5200 ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተመዝጊቦም ከምዘለዉ'ውን ተሓቢሩ። ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ልዕሊ 50,000 ካልኦት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተዓቚብሉ መዓስከር ከምዘሎ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። ኣብ መላእ ኢትዮጵያ፡ ኣስታት 200,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዘለዉ ጸብጻባት እቲ ትካል የረድኡ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57992187"} {"headline":"ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወርድ ጎነጽ ወሲኹ'-ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት","content":"ኣብ ማእከል ግጭት ክልል ትግራይ ተቐርቂሮም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ግዳይ መጥቃዕትታት ኩሎም ተራጸምቲ ወገናት ናይቲ ኲናት ከምዝኾኑ ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ ወተሃደራት ኤርትራን፡ ሓይልታት ትግራይን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከቢድ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ፈጺሞም ክብል ንጸብጻብ ፍሉይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳያት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ብምጥቃስ ከሲሱ። \"እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር፡ ወተሃደራት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንዕኦም ዝድግፉ ወተሃደራት ኤርትራን፡ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝድግፉ ሓይልታትን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከቢድ ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕግን ከምዝፈጸሙ ብዙሕን እሙንን ክስታት ተቐቢለ\" ክብል ፍሉይ ወኪል ሱዳናዊ ዶ\/ር ዓብደልሰላም ባቢከር ተዛሪቡ። ቅድሚ'ቲ ኲናት ምውልዑ፡ ኣስታት 100,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኣርባዕተ መዓስከራት ተዓቚቦም ምንባሮም ይፍለጥ። ክልተ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ክልል ትግራይ ተደኲነን ዝነበራ መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ኣብቲ ኲናት ፍጹም ብምዕናወን፡ ኣብአን ዝነበሩ ስደተኛታት ፋሕ ፋሕ ክብሉ ከምዝተገደዱን፡ ገለ ካብኦም ናብተን ዝተረፋ መዓስከራት ክኸዱ እንከለዉ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካልኦት ድማ ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን። ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዝቐጸለ ውግኣት ድማ፡ እቶም ኣብ ማዓስከራት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ምእታዎም ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ብውሕዱ ክልተ ስደተኛታት ከምዝተቐትሉን፡ ዝቖሰሉ ከምዘለዉን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር። \"ብሰንኪ ናብ ሓደስቲ ቦታታት ዝላባዕ ዘሎ ውግእ እቲ ኩነታት እናኸፍአ ይኸይድ ብምህላዉ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወርድ ጎነጽ ወሲኹ'ሎ\" ይብል እቲ ኣብ ጀነቫ 'ዚመደበሩ ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት። እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ክካየድ ዝጸንሐ ውግኣት'ውን፡ ምፍንቓል ኣሽሓት ሲቪላውያን ከምዘስዓበ እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ። እቲ ኩነታት ነቶም ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከብ ካልእ መዓስከር ተዓቚቦም ዘለዉ ኤርትራውያን ዝደተኛታት ኣብ ሓደጋ ከየእትዎም'ውን ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።","category":"ውድብ ሕቡራት መንግስታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58122827"} {"headline":"ስለምንታይ'ዩ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ስልጣኑ ክእለ ይኽእል'ዩ ዝበሃል ዘሎ?","content":"ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፖዛ ምስቲ ክንቀፈሉ ዝጸንሐ ጉዳይ ዝጠፍኦ ብሚልዮናት ዶላራት ዝቑጸር ገንዘብ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ከምዝኽእል ይግለጽ ኣሎ። እቲ ንካልኣይ እብረ ክምረጽ ዝዳሎ ዘሎ ራማፖዛ፡ 4 ሚልዮን ዶላር ካብቲ ዝውንኖ ሕርሻ ከምዝተሰርቀ ክሓብእ ፈቲኑ ተባሂሉ'ዩ ዝኽሰስ ዘሎ። ኣብቲ 'ፋርምጌት' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ጉዳይ፡ እቲ ፕረዚደንት ሓበሬታ ከይወጽእ ነቶም ሰረቕቲ ኣብ ምጭዋይን ብላዕ ኣብ ምሃብን ተሳቲፉ ከምዝነበረ'ውን ይኽሰስ። ነቲ ጉዳይ ንምጽራይ ዝቖመ ሓደ ናጻ መርማሪ ጉጅለ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ራማፖዛ ንዘለዎ ስልጣን ካብ ኣገባብ ወጻኢ ተጠቒምሉ፡ ከምኡ'ውን ንሕግታት ጸረ-ብልሽውና እታ ሃገር ጥሒሱ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጹ። ራማፖዛ ግን፡ ኣበሳ ከምዘይብሉን 580 ሽሕ ዶላር ጥራይ ከምዝተሰርቀን'ዩ ዝምጉት። እቲ ዝተሰርቀ ገንዘብ፡ ካብ ሓደ ዝሸጦ ጎባይ (ቡፋሎ) ዝተረኽበ ምዃኑ'ውን ይሕብር። ጸብጻብ ናይቲ መርማሪ ጉጅለ ዝተረከበ ፓርላማ እታ ሃገር፡ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ተመያይጡ፡ ካብ ስልጣኑ ይውረድዶ ኣይውረድ ኣብ ዝብል ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ውሳነ ክህብ ትጽቢት ይግበረሉ። ሲሪል ራማፖዛ፡ ኣብዚ ወርሒ'ዚ ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ገዛኢ ሰልፊ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ (ኤ-ኤን-ሲ) መራሒ ናይቲ ሰልፊ ኮይኑ እንተ ተመሪጹ፡ ኣብቲ ኣብ 2024 ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ነቲ ሰልፊ ወኪሉ ንካልኣይ እብረ ፕረዚደንትነት ክወዳደር ድሌት ከምዘለዎ ይፍለጥ። እቲ ኣንጻር ብልሽውና ብዘካየዶ ጎስጓስ ናብ ስልጣን ዝደየበ ራማፖዛ፡ እቲ ጉዳይ ንዝቕጽል ፖለቲካዊ መጻኢኡ ብኣሉታ ክጸልዎ ከምዝኽእል ይግመት። ሃገራዊ ፈጻሚ ኣካል ናይቲ ሰልፊ ሎሚ ኣብ ዘካይዶ ኣኼባ፡ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ክዘራረብ'ዩ ተባሂሉ'ሎ። ሎሚ ምስ ኣባላት ባይቶታት ኣውራጃ እታ ሃገር ንሎሚ ከካይዶ ሓሲቡ ዝነበረ ኣኼባ፡ ነቲ ጸብጻብ ንምምርማር ምንውሑ ንባዕሉ፡ እቲ ጉዳይ ፈጢርሉ ዘሎ ጸቕጢ ዘመልክት'ዩ ክብሉ ተንተንቲ ይገልጹ። እቲ ጸብጻብ፡ ሓያለ ኣጸገምቲ ሕቶታት ዘልዕል'ዩ። ተቓወምቲ ሰልፍታት፡ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ክጽውዑ እንከለዉ፡ ኣብ ውሽጢ ዙርያ እቲ ፕረዚደንት ተፈጢሩ ዘሎ ሸበድበድ ስልጣኑ ከስእኖ ከምዝኽእል ዝእምት'ዩ። እቲ መርማሪ ጉጅለ ካብ ዘልዓሎም ሕቶታት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም፣ ብወገኑ ዝብሎ ነገርን፡ ፈጢሩሉ ዘሎ ፖለቲካዊን ሕጋውን ታኼላን ንብዙሓት ዘገርም'ዩ። ምኽንያቱ፡ ፖለቲካዊ ምስሉ ኣንጻር ብልሽውና ብዘካይዶ ቃልስን ንጽህናን ዝተሃነጸ'ዩ። ቅድሚኡ ዝነበረ ፕረዚደንት ነበር ጄኮፕ ዙማ፡ ምስ ብልሽውና ብዝተሓሓዝ ጉዳያት ዝተቛማጠዐ ምንባሩ ይፍለጥ። እቲ መርማሪ ጉጅለ፡ ኣብ ልዕሊ ራማፖዛ ክውሰድ ዝኽእል ስጉምቲ ንፓርላማ'ዩ ሓላፍነት ኣረኪብዎ። በቲ ሰልፊ ዝዕብለል ፓርላማ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ስልጣኑ ናይ ምእላይ መስርሕ እንተኣንቂሉ፡ ፍሉይ ኮሚተ መስሪቱ፡ ምምይይጥ ተኻይድሉ ድምጺ ክሳብ ዝወሃብ ግዜ ከምዝወስድ ርዱእ'ዩ። ብዓይኒ ፍርዲ ህዝቢ ግን፡ ንጽህናን ስነምግባራዊ ባህሪን ናይቲ ፕረዚደንት ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ'ዩ። እቲ ዝዓበየ ግን፡ በዲሉ እንተተረኺቡ እሞ'ኸኣ፡ ነቲ ኣብ 1990ታት ኣብ ምንዳፉ ዓቢ ተራ ዝተጻወተሉ ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ጥሒሱ'ዩ ክርከብ። እቲ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ፡ ገበናዊ ክስታት እንተቐሪብሉ ጥራይ'ዩ ካብ መዝነቱ ከውርዶ ዝኽእል- ዛጊት ገበናዊ ክስታት ግን ኣይቀረበሉን። እንተኾነ ግን፡ እቲ ኣብ ዝመጽእ ጉባኤ ክወዳደር ዝዳሎ ዘሎ ገዲም ፖለቲከኛን ወናኒ ናይ ሃድን ሕርሻን ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ኣትዩ ይርከብ። እቲ ብ'ፋርምጌት' ዝፍለጥ ዋጢጥ፡ ኣብ ሰነ 2020 ዝጀመረ ኮይኑ፡ ሓላፊ ስለያ እታ ሃገር ዝነበረ ኣርተር ፍሬዘር፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ዝውንኖ ሕርሻ 'ፋላ ፋላ' ብዛዕባ ዝተሰርቆ 4 ሚልዮን ዶላር ኣይሓበረን ክብል ድሕሪ ምኽሳሱ'ዩ ዝፍልም። እቲ መሻርኽቲ ዙማ ዝኾነ ሓላፊ ስለያ ነበር፡ እቲ ጉዳይ ምስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብን ብልሽውናን፡ ከምኡ'ውን ጭውያን ጉቦን ዝተሓሓዝ ምዃኑ'ዩ ዝኸስስ። ክንድኡ ዝኣክል ገንዘብ ኣብ ኢድካ ምሓዝ ንሕግታት ሸርፊ ወጻኢ እታ ሃገር ዝጥሕስ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ራማፖዛ ብወገኑ፡ እቲ ዝምታ ከምዝተፈጸመ ብምእማን፡ እንተኾነ ግን እቲ ዝተሰርቀ ገንዘብ ክንድቲ ዝተባህለ ከምዘይኮነን ክሰትሮ ከምዘይፈተነን'ዩ ዝምጉት። ኣብ ሶፋ ኣቐሚጥዎ ዝነበረ፡ ቡፋሎ ሸይጡ ዝረኸቦ ኣስታት 580 ሽሕ ዶላር ከምዝተሰርቀ ግን ተኣሚኑ'ዩ። \"ከምቲ ዝብሃል፡ ነቶም ነቲ ስርቂ ዝፈጸሙ 'ምህዳን' ኣይፈጸምኩን፡ ንክፍጸም ዝሃብክዎ ትእዛዝ የለን\" ክብል ኣብቲ ንመርማሪ ጉጅለ ዝሃቦ መልሲ ይገልጽ። \"እቲ ፕረዚደንት ብዛዕባ ምንጪ ናይቲ ዝተሰርቀ ሸርፊ ወጻኢ፡ ይኹን ዝተኻየደ ምልውዋጥ ገንዘብ ብዝምልከት ክሕተት ኣለዎ ኢልና ንኣምን\" ይብል እቲ ጸብጻብ። \"ከም መራሒ ሃገር፡ ነቲ ጥርጡር ንምሓዝ ንፕረዚደንት ናሚብያ ምትሕብባር ክግብረሉ ምሕታቱ፡ እቲ ፕረዚደንት ንስልጣኑ ካብ ኣገባብ ወጻኢ ተጠቒምሉ\" ድማ ይብል። ፕረዚደንት ናሚብያ ሃገ ጌንጎብ፡ ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ከምዘይብሉ ቅድሚ ሕጂ ገሊጹ ነይሩ'ዩ። ሸውዓተ ሓቅታት ብዛዕባ ሲሪል ራማፖዛ፣","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cnlgxqz1244o"} {"headline":"ካናዳ፡ ብቕትለት ሓደ ግዳም-ሓደር ዝተኸሰሳ ዕስለ ኣዋልድ","content":"ኣብ ካናዳ ሸሞንተ ኮተቴ ኣዋልድ ብቕትለት ሓደ ወዲ 59 ዓመት ከም ዝተኸሰሳ ፖሊስ ከተማ ቶረንቶ ኣፍሊጡ። እተን ኣብ ክሊ ዕድማ 13 ክሳብ 16 ዝርከባ ኣዋልድ፡ ነቲ ግዳይ ብኻራ ወጊአን ቀቲለን ዝብል ክሲ'ዩ ተመስሪቱለን ዘሎ። ነቲ መጥቃዕቲ \"ብዕስለ\" ከም ዝፈጸምኦ ፖሊስ ይገልጽ። እቲ ግዳይ ካብ ቀረበ እዋን ጀሚሩ ኣብ ሓደ ንግዳም-ሓደራት ተባሂሉ ዝተዳለወ ማእከል ተዓቚቡ ዝጸንሐ ምዃኑ ተፈሊጡ። ከንቲባ ከተማ ቶረንቶ፡ በቲ ፍጻመ \"ኣዝዩ ከም ዝሰንበደ\" ገሊጹ'ሎ። እተን ብመሰረት ሕጊ ካናዳ ኣስማተን ዝተዓቀበ ኣዋልድ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ገበን ዝተፈጸመሉ ቦታ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዋን ሓያለ መሳርሒታት ከም ዝጸንሐን ጸብጻባት ሓቢሮም። ሰለስተ ካብተን ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ዝተራኸባ ዝተገልጻ ኣዋልድ፡ ኣቐዲሙ ምስ ፖሊስ ጉዳይ ዝነበረን ምዃነን፡ መርማሪ ፖሊስ ቴሪ ብራውን ገሊጹ። \"ብኸመይን ስለምንታይ ኣብታ ምሸት ኣብ ማእከል ከተማ ቶሮንቶ ከም ዝተራኸባ ኣይፈለጥናን ዘለና።\" ኣቐዲመን ኣብታ ምሸት ኣብ ካልእ እምባጓሮ ተሳቲፈን ምንባረን'ውን እቲ መርማሪ ጠቒሱ። ሓንቲ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝነበረ ካልእ መዕቆቢ ግዳም-ሓደራት እትነበር ሰብ ንማዕከን ዜና ሲ-ቢ-ሲ ቶሮንቶ ከም ዝበለቶ፡ እተን ኣዋልድ ኣልኮላዊ መስተ ደልየን ምስ ቀረባኣ፡ ንዓኣ ክከላኸል ኣብ ዝፈተነሉ እዋን'ዩ ብኻራ ተወጊኡ። \"ካራ ይንበረን ኣይንበረን ኣይፈለጥኩን ነይረ። ፈሪሐ ጥራይ'የ ነይረ\" ብምባል፡ ካብተን ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸማ ኣዋልድ ርእሳ ንምድሓን ካብቲ ቦታ ተኣልያ ናብቲ መዕቆቢ ከም ዝተዓቚበት ተዛሪባ። \"ኣብዚ ዕድመ'ዚ ከምዚ ምፍጻመን፡ ብዝሒ ናይተን ኣብቲ ቅትለት ዝተሳተፋን ኣዝዩ ደንጽዩኒ'ዩ ዘሎ\" ክብል ከንቲባ ናይታ ከተማ ገሊጹ። \"ንመሓዙት ናይቲ ሰብን ንኩሎም ብሞቱ ዝሓዘኑን ዝተሰምዓኒ ሓዘን እገልጸሎም\" ኢሉ።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cn3z8lp3lp3o"} {"headline":"ኒውዚላንድ ንመጻኢ ወለዶታት ሽጋራ ዝእግድ ሕጊ ኣጽዲቓ","content":"ኒውዚላንድ ካብ ዝመጽእ ዓመት ጀሚሩ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ እገዳ ትምባኾ ክትገብር ወሲና። እቲ ትማሊ ሰሉስ ብባይቶ እታ ሃገር ዝጸደቐ ሕጊ፡ ድሕሪ 2008 ዝተወልደ ሰብ ሽጋራ ወይ ፍርያት ትምባኾ ፈጺሙ ክገዝእ ከምዘይገዝእ ዝገብር'ዩ። ትምባኾ ክገዝኡ ዝኽእሉ ሰባት ድማ በብዓመቱ ክንኪ እዩ። ንኣብነት ኣብ 2050 ዓ.ም. ሽጋራ ክገዝኡ ዝኽእሉ ሰባት ዕድመኦም ልዕሊ 40 ዓመት ዝኾኑ ጥራይ እዮም። ነቲ እማመ ዘቕረበት ሚኒስተር ጥዕና ኣየሻ ቨራል፡ እዚ \"ናብ ካብ ምትካኽ ነጻ ዝኾነ መጻኢ\" ዝወስድ ስጉምቲ'ዩ ኢላ። ዶክተር ቨራል፡ \"ኣሽሓት ሰባት ነዊሕ፡ ጥዑይ ህይወት ክነብሩ እዮም፡ ስርዓተ ጥዕና ድማ ነቶም ብሰንኪ ሽጋራ ምትካኽ ዝመጹ ሕማማት ንምሕካም ዘወጽኦ ዝነበረ 3.2 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ከትርፍ'ዩ\" ትብል። መጠን ምትካኽ ሽጋራ ኣብ ኒውዚላንድ ድሮ ኣብ ትሑት ደረጃ እዩ ዝርከብ። ብመሰረት ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝወጸ ኣሃዝ መንግስቲ፡ ካብ ዓበይቲ ሰባት 8 ሚእታዊት ጥራይ መዓልታዊ ሽጋራ የትክኹ። ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ኸኣ 9.4 ሚእታዊት ቀኒሱ እዩ። እቲ እማመ ትኪ ዘይብሉ ከባቢታት፡ ነቲ መጠን ክሳብ 2025 ናብ ትሕቲ 5 ሚእታዊት ከጉድሎን ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ ተግባር ጠቕሊሉ ከወግዶን ተስፋ ይግበር። ብተወሳኺ እቲ እማመ ኣብ መላእ እታ ሃገር ቁጽሪ ናይቶም ፍርያት ትምባኾ ክሸጡ ዝኽእሉ ካብ 6000  ናብ 600 ንምድራትን፣ ኣብቶም ፍርያት ዝርከብ መጠን ኒኮቲን ብምንካይ ወልፊ ንኸየትሕዙ ንምግባርን ዝተዳለወ'ዩ። \"ኒኮቲን ወልፊ ናብ ዘይኮነሉ ደረጃ ክወርድ’ዩ ማለት እዩ፡ ማሕበረሰባት ድማ ካብቶም ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ፍርያት ትምባኾ ዒላማ ዝገብሩን ዝሸጡን ናጻ ክኾኑ እዮም\" ትብል ዶክተር ቨራል። እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ ነቲ ካብ ሽጋራ ንላዕሊ ኣብ መንእሰያት ወለዶታት ኣዝዩ ዝያዳ ተፈታዊ ዝኾነ ፍርያት 'ቬፕ' (ኤለክትሮኒክ ሽጋራ) ኣይእግድን። ኣብቲ ባይቶ 10 መናብር ዝሓዘ ሰልፊ ኤሲቲ (ACT) ሓዊሱ ነቐፍቲ ናይቲ እማመ፡ እቲ ፖሊሲ ንጸሊም ዕዳጋ ፍርያት ትምባኾ ከጋድድን ንኣሽቱ ድኳናት ክቐትልን ከምዝኽእል የጠንቅቑ። ምክትል መራሒት ኤሲቲ፡ ብሩክ ቫን ቨልደን፡ \"ሰባት ሽጋራ ከትክኹ ክርኢ ዝደሊ ሰብ የለን፡ እቲ ክውንነት ግን፡ ገሊኦም ክትኽኹ እዮም፡ እቲ ክልከላ ድማ ጸገም ከስዕብ'ዩ\" ትብል።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c726yxke6pjo"} {"headline":"ኣቦይ ስብሓት ነጋ ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ንቤት ፍርዲ ዘመላለሶ ጉዳይ እንታይ እዩ?","content":"ፖሊስ ፈደራል፡ ኣብ ልዕሊ ኣቦይ ስብሓት ነጋ ዘንበሮ እገዳ ኣገባብ ከምዘይኰነ “ልደታ ምድብ ማእከላይ ቤት ፍርዲ” ብ 7 ታሕሳስ 2022 ወሲኑ። ሓደ ካብ ቀዳሞት መራሕቲ ህወሓት ነበር ኣቦይ ስብሓት፡ ጸገም ጥዕና ስለዘጋጠሞ፡ ቦርድ ጥዕና፡ ናብ ናይሮቢ-ኬንያ ከይዱ ንክሕከም'ኳ እንተወሰነ፡ ኢሚግሬሽን ግን ካብ ፖሊስ ፈደራል ፖሊስ ብዝተወሃቦ ትእዛዝ ካብ ሃገር ከይወጽእ ከምዝኸልከሎ ሓደ ካብቶም ጉዳዩ ዝከታተሉ ጠበቓታት ንቢቢሲ ሓቢሩ። ጠበቓ ታደለ ገብረመድህን ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ክሲ ከምዝመስረቱን ካብ መፋርቕ ነሓሰ ጀሚሮም ኣብ ክርክር ከምዘለውን ንቢቢሲ ሓቢሩ። ኣብቲ ንኣስታት 30 ዓመታት ንኢትዮጵያ ዝመርሐ ህወሓት\/ኢህወደግ፡ ተሰማዕን ዓቢይ ጽልዋ ዝነበሮን ኣቦይ ስብሓት፡ ኲናት ትግራይ ድሕሪ ምውልዑ፡ ብመንግስቲ ፈደራል ተታሒዙ ኣብ ቍጽጽር ኣትዩ ነይሩ። ብድሕሪኡ ግን ፈደራላዊ መንግስቲ ንዕኡን ሒደት ምስኡ ዝተታሕዙን መራሕቲ ነበር “ምእንቲ ኣሳታፊ ሃገራዊ ዘተ፡ ንገለ እሱራት ካብ ማእሰርቲ ብምሕረት ፈቲሐ\" ብምባል ካብ ማእሰርቲ ፈቲሑዎም። ቢቢሲ ትግርኛ ብዛዕባ እቲ ንኣቶ ስብሓት ነጋ ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ናብ ቤት ፍርዲ ዘመላለሶ ነገር ብዝምልከት ምስ ሓደ ካብ ጠበቓታቶም ኣቶ ታደለ ገብረመድህን ዝገበሮ ዝርርብ እነሆ። ቢቢሲ፡ ኣመራርሓ ህወሓት ነበር ኣቦይ ስብሓት ነጋ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምፍትሖም፡ ዳግማይ ናብ ቤት ፍርዲ ይመላለሱ ከምዘለዉ ሓበሬታ ይወጽእ ኣሎ። እዚ ሓቂ ድዩ? እንታይ’ዩ ተፈጢሩ? ጠበቓ ታደለ ገብረመድህን፡ እወ ሓቂ እዩ። ብ15 ሓምለ  2014 ዓ.ም [ግእዝ]፡ ኣድላዪ ዝዀነ ሰነዳት ኣማሊኦም ንሕክምና ናብ ኬንያ ናይሮቢ ክወጹ ሓሲቦም ነይሮም። ናይቲ ጕዕዞ ዋና መሰረት ንሕክምና እዩ። ብሕክምና ቦርድ ኣብ ዓዲ ክሕከሙ ኣይክእሉን ተባሂሉ ዝተወሃቦም እዩ፤ ቈጸራ ሒዞም ነይሮም ኣብ ናይሮቢ ሕክምና ንምግባር። እንተዀነ ብ14 ሓምለ ‘ፌደራል ፖሊስ ንኸይወጹ ኣዚዙኒ’ዩ’ ብዝብል ኢሚግሬሽን ከልኪልዎም። ስለዝዀነ ነቲ ጉዳይ ሰላማዊ ብዝዀነ መልክዕ ንኽፍታሕ ንዝምልከቶም ኣካላት ክንረክብ ክንጽዕር ጸኒሕና። ብድሕሪኡ ፍቓደኛታት ስለዘይኰኑ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ፈደራል፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሚኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ኢሚግሬሽን ክሲ መስሪትና ነይርና። እቲ ክሲ ተኸቲሉ ዓቃብ ሕጊ ወይ ድማ ሚኒስትሪ ፍትሒ ‘ኣነ ኣይኣገድኩን። ዝገበርክዎ ነገር የለን’ ዝብል እዩ እቲ ዝሃብዎ መልሲ። ቢቢሲ፡ ስለዚ መን እዩ ከልኪሉ ዘሎ? ጠበቓ፡ ፈደራል ፖሊስ እዩ። ቢቢሲ፡ ፖሊስ ኣቦይ ስብሓት ናብ ኬንያ ናይሮቢ ንኸይሕከሙ ዘቕረቦ ምኽንያት እንታይ እዩ? ጠበቓ፡ እዚ እዩ ዝበሎ ነገር የለን። እገለ፡ እገለ ዝብል ዝርዝር ኣሎ ደሓር ዝረኣናዮ፤ ካብ ኢሚግሬሽን ዝመጽኣሎም። ኣብኡ ተራ ቍጽሮም ተጠቒሱ ከይወጽኡ ዝብል ፖሊስ ዝሃቦ ትእዛዝ እዩ። ከምዝፍለጥ ፖሊስ ኣብ ዝዀነ እዋን ብዝዀነ ይዅን ንመገሻ ክግድብ ኣይክእልን። ጕዕዞ ምግዳብ ዝኽእል ቤት ፍርዲ ጥራይ እዩ። ዝዀነ ይዅን ኣካል መንግስትን ኣኽባሪ ሕጊን፡ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ምኽባርን ኣብዚ ዓዲ ዘሎ ናይ ገበን ፍትሒ ስርዓትን ብኣግባቡ ክሰርሕ ኣብ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎም። ይዅን እምበር ነዚ ሓላፍነት ብዝጻረር መልክዑ፡ ፖሊስ ፈደራል ንኸይወጽኡ ከልኪሉ ነይሩ። ነዚ ስዒቡ ኣብ ፍርቂ ነሓሰ 2014 ዓ.ም. ኢና ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ክሲ ዝመስረትና። ቢቢሲ፡ ስለዚ ካብ ነሓሰ ጀሚሩ፡ ንዝሓለፉ ዳርጋ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣለኹም ማለት ድዩ? ጠበቓ፡ እወ፤ ኣብ ክርክር ጸኒሕና። ቢቢሲ፡ ካብኡ ዝቐጸለ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ጉዳይ ሕክምና ናይ ቤት ፍርዲ ቈጸራ ነይርኩም፣ ቤት ፍርዲ እንታይ ብይን ኣሕሊፉ? ጠበቓ፡ ሎሚ መዓልቲ ውሳነ ተዋሂቡ ኣሎ። እቲ ተዋሂቦ ዘሎ ውሳነ፡ ፌደራል ፖሊስ ንሕክምና ናብ ወጻኢ ንኸይወጹ ምኽልካሉ ኣግባብነት የብሉን ዝብል እዩ። ትኽክል ኣይኰነን፤ ፌደራል ፖሊስ ክእግድ ኣይክእልን ዝብል ውሳነ እዩ ተወሲኑ። ስለዚ ፖሊስ ኣብ ዘይስልጣኑ ብምእታዉ፡ ናይ ሰባት ናይ ምንቅስቓስ መሰል፡ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት፡ ብፍላይ ኢትዮጵያ ዝተቐበለቶም ዓለምለኻዊ መትከላት ሰብኣዊ ሰብኣዊ ከምዝጠሓሰ ዘርኢ ውሳነ እዩ። ቢቢሲ፡ ስለዚ በዚ ሎሚ መዓልቲ ተዋሂቡ ዘሎ ብይን መሰረት፡ ኣቦይ ስብሓት ናብ ወጻኢ ሃገር ወጺኦም ሕክምና ክረኽቡ ድዮም? ንሱ ድዩ ተመሓላሊፉ ዘሎ? ጠበቓ፡ ሕክምና ወጺኦም ይርከቡ ተባሂሉ ኣይውሰንን። ኣብ ሕጊ’ውን ከምኡ ዓይነት ኣሰራርሓ ኣይህሉን። እንታይ እዩ ክግበር፡ እቲ ዝኸልከለ ኣካል ምኽልካሉ ብዓይኒ ሕጊ ኣግባብነት ኣለዎ ድዩ የብሉን ተባሂሉ እዩ ዝውሰን። ንሕና’ውን ዝሓተትናዮ ዳንነት እሱ እዩ። ስለዚ ንሱ መሰረት ተገይሩ፡ ፖሊስ ፈደራል ዝወሰዶ ስጕምቲ፡ ከይወጹ ምግባሩ፡ ናይ ምንቅስቓስ መሰል ዝግድብ እዩ። እዚ ገደብ እዚ ድማ ፖሊስ ንሰብኣዊ መሰል፡ ንዘይጠሓሱ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዝጠሓሰ ምዃኑ ዘረጋግጽ ውሳነ እዩ ተወሲኑ ዘሎ። ቢቢሲ፡ ድሕሪ እዚ ብይን ፖሊስ ዝሃቦ ምላሽ ኣሎ’ዶ? ጠበቓ፡ የለን። ምናልባት እንታይ እዩ ኰይኑ ብ2 ሕዳር ኣብ ዝነበረ ክርክር፡ ፖሊስ ስለዘይቀረበ፡ ካብ ክርክር ወጻኢ ክኸውን ተገይሩ። ይግባይ ክብለሉ ዝኽእል ዕድል ክህሉ ይኽእል እንድዩ፡ እቲ መስርሕ የፍቅደሎም እዩ፤ ግን ኣብ ዘይተኸራኸረሉ ይግባይ ዝብል ኣይመስለንን። ስለዚ በቲ ስርዓት መሰረት፡ ናይ ኣፈጻጽማ ስርዓት ኣሎ፡ ናብኡ ኢና ክንሰግር። ቢቢሲ፡ እዚ ጉዳይ ካብ ነሓሰ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ክንደይ ሳዕ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ኣሎ? ጠበቓ፡ ኣብ ክረምቲ ዕጽው እዩ ነይሩ፤ ኣብ ተረኛ መጋባእያ እዩ ዝቐርብ ነይሩ። ኣብኡ ሰለስተ ሳዕ ቀሪቡ ኣሎ። ናብ መደበኛ ምስ ሓለፈ’ውን ሰለስተ ግዜ [ብድምሩ] ሽዱሽተ ግዜ ቀሪብና ኣለና። ቢቢሲ፡ ኣቦይ ስብሓት ነጋ እቲ ዘጋጠሞም ናይ ጥዕና ጸገም እንታይ እዩ? ናብ ወጻኢ ከይዶም ክሕከሙ ብቦርድ ዝወሰነ ማእከል ጥዕና ኸ መን እዩ? ጠበቓ፡ እቲ ናይ ሕማሞም ጉዳይ \"ፕራይቬት\" (ውልቃዊ ጉዳይ) እዩ፤ ብሚድያ ዝቃላሕ ኣይኰነን። ባዕሎም ክገልጽዎ ይዀኑ እዮም። እቲ ትካል ብመንግስቲ ኣፍልጦ ዘለዎ፡ እቲ ጉዳዮም ዝከታተል ዝነበረ ናይ ጥዕና ትካል እዩ። እሱ’ውን፡ ፓብሊክ ዶክመንት (ህዝባዊ ሰነድ) እዩ፤ ግን ዘሎ ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው ኣዲስ ህይወት እዩ እቲ ዝከታተልዎ ዝነበረ ሕክምና፡ እቲ ኣብኡ ዘሎ ናይ ሕክምና ቦርድ እዩ። ቢቢሲ፡ ኣቦይ ስብሓት ነጋ ኲናት ትግራይ ምስተወልዐ፡ ብመንግስቲ ፈደራል ተታሒዞም ካብ ዝተኣሰሩ ናይ ህወሓትን ናይ ትግራይ ኣመራርሓን ሓደ እዮም ነይሮም። ድሕሪ ማእሰርቶም ክሶም ተቛሪጹ ካብ ቤት ማእሰርቲ “ብምሕረት” ዝወጹሉ ኣጋጣሚ እዩ ተፈጢሩ’ሞ፡ ድሕሪኡ ምስቲ ዘሎ ጸገም ጥዕና ምስቲ ዘሎ ምጕታት ቤት ፍርዲ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ምንታይ ኵነታት ይርከቡ? ጠበቓ፡ ህጹጽ ሕክምና የድልዮም እዩ። እቲ ቦርድ ሕክምና ከምዘረጋገጾ፡ ኣቦይ ስብሓት’ውን ከምዘረጋገጽዎ ኣብ ወጻኢ ከይዶም እንተዘይተሓኪሞም ኣብ ሓደጋ እዮም ክዀኑ። ኣብዚ ዓዲ’ዚ ሕክምና የለን - ኣብ ኢትዮጵያ። ኣብ ክልተ ቦታታት ኣሎ። እቲ ናይ መጀመርታ ምርመራ ዝግበረሉ ኣብ ናይሮቢ እዩ። እቲ ናይ ናይሮቢ ውጽኢት ተራእዩ ናበይ ከምዝልእኮም ኣይንፈልጥን። ስለዚ ኣብዚ ዓዲ ሕክምና ዝከታተልሉ ኵነታት የለን። ሕክምና’ውን ኣይከታተሉን ዘለዉ። ቢቢሲ፡ ብቐረባ ዝከታተሎም ስድራ ኣለዎም’ዶ? ኣበይ እዮም ዝነብሩ? ጠበቓ፡ ምስ ቤተሰቦም እዮም ዘለዉ። በዓልቲ ገዛኦም ኣለዋ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዮም ዘለዉ። ቢቢሲ፡ እቲ ክሲ ምስተቛረጸ ልሙድ ዝዀነ ማሕበራዊ ህይወት ኣለዎም’ዶ ወይስ ኣብ ድሩት ዝዀነ ምንቅስቐስ እዮም ዝርከቡ? ጠበቓ፡ ሪፈር ክሳብ ዝግበረሉ ሕክምና ይገብሩ ነይሮም። ምንቅስቓስ ግን ኣይክእሉን። ኣብ ማሕበራዊ ርክቦም ኣነ ብዙሕ ዝፈልጦ ነገር የለን። ቢቢሲ፡ እዚ ዘልዓልኩልካ፡ ኣብ ሓለዋ እዮም ዝርከቡ ሕጂ’ውን ዝብሉ ነገራት ስለዝለዓሉ፡ ንተኸታተልትና ንጹር ምስሊ ምእንቲ ክህልዎም እየ። ጠበቓ፡ ኣብ ሓለዋ ኣይኰኑን ዘለዉ፤ ምስ ጥዕናኦም ብዝምልከት ግን ብዙሕ ምንቅስቓስ ዝኽእልሉ ኩነታት ኣይኰነን ዘሎ። ቢቢሲ፡ ካብ ጠበቓታት ኣቦይ ስብሓት ነጋ፡ ጠበቓ ታደለ ገብረመድህን ንዝሃብካኒ ሓበሬታ የመስግነካ።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c9xpjx5x52po"} {"headline":"ኣብ መቐለን ካልኦት ከባቢታት ትግራይን ዘረፋ ይፍጸም ከም ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ፣ ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለን ካልኦት ከባቢታትን ዝተወደበ ዝምታ ይካየድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ብቐዳም 17 ታሕሳስ 2022 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ ኣብ ዘይበጽሖም ከባቢታት ትግራይ ዝምታ ይካየድ ከምዘሎ ኣመልኪቱ። ነቲ ንኽልተ ዓመት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ከብቅዕ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ ስዒቡ ድማ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ መንጐ ወከልቲ ፈደራል መንግስትን ህወሓትን ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት፡ እቲ ኲናት ደው ኢሉ እዩ። መንግስቲ ኣብ መግለጺኡ፡ ብመሰረት’ቲ ስምምዕ ሰላም፡ መንግስቲ ንህዝብን ሃገርን ዝኣተዎ መብጽዓ ይፍጽም ከምዘሎ ብምምልካት፡ \"ነዚ መሰጋገሪ እዋን ከም ዕድል ተጠቒምካ\" ግን ኣብ መቐለን ካልኦት ከባቢታትን ዝምታ ይፍጸም ኣሎ ይብል። \"ሓይልታት ምክልኻልና ኣብ ዘይበጽሖም ሓደ ሓደ ከባቢታት ትግራይ ንሰላም ሕብረተሰብ ዝህውኹ ዝተወደቡ ዝምታን ዘረፋን ይፍጸሙ ከምዘለዉ ዝሕብር መረዳእታታት ኣሎ።\" እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ብፍላይ ኣብ ርእሰ-ከተማ እቲ ክልል ዝዀነት መቐለ ተሽከርከርቲ ተጠቒምካ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስታውን ንግዳዊን ትካላት ዝግበር ዘሎ ዝምታ ኣብ ዝለዓለ ደረጃኡ በጺሑ’ሎ፤ \"ህዝቢ ብተሌፎንን ብኻልእ ኣገባባት መራኸቢን ኣብ ዓቢ ጭንቀት ከምዘሎ ይሕብር ኣሎ\" ኢሉ። ብመሰረት'ቲ ኲናት ደው ንምባል ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ሰራዊት መንግስቲ መቐለ ኣትዩ ቀንዲ ትካላት ፈደራል ክቈጻጸር ምዃኑ’ኳ ዝተገልጸ እንተዀነ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ናብታ ከተማ ኣይኣተወን። ኣብ መግለጺኡ ግን መንግስቲ፡ እቶም ኣብቲ ይካየድ ኣሎ ዝተባህለ ምዝማት ዝተሳተፉ ዘለዉ ኵሎም ካብ ሓላፍነት ከምዘይምልጡ ኣጠንቂቑ፣ “ድሕነት ህዝቢ ንምሕላው መንግስቲ ሓላፍነቱ ንምፍጻም ዘድሊ ኵሉ ክገብር'ዩ\" ብምባል ከኣ ኣተሓሳሲቡ። ነዚ ኣመልኪቱ፡ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ “እቲ ንሕና ክንፈትሖ ዘይከኣልና፡ ህዝብና’ውን ክፈትሖ ዘይከኣለ ጸጥታዊ ስግኣት፡ ዋላ ሓደ ክፈትሖ ኣይክእልን እዩ. . .” ኢሉ። ካብዚ ወጻኢ ግን፡ ብዛዕባ ዕምቈትን መጠንን ናይቲ ይፍጸም ኣሎ ዝበሃል ዘሎ ዝምታ ዝርዝር መብርሂ ኣይሃበን። እቲ መንጐኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ንደረጃታት ትግባረኡ ዝወሃብ ዝርዝር ወግዓዊ ሓበሬታ የለን። ኣብቲ ስምምዕ፡ እቲ ግጭት ብዘላቕነት ምቍራጽ፡ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ምቕራብ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎት ምጅማር፡ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይን ካብ ፈደራል ሰራዊት ወጻኢ ከምኡ'ውን ካልኦት ናይ ግዳም ሓይልታት ካብቲ ክልል ምውጻእን ዝብሉ ነጥብታት ስምምዕ ከም ዝተበጽሓሎም ይፍለጥ። ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ወተሃደራዊ መራሕቲ ክልቲኦም ወገናት ንኣፈጻጽማ ስምምዕ ሰላም ኣመልኪቶም ኣብ ሽረ ከምዝተዘራረቡን ሓይልታት ትግራይ ካብ ግንባራት ውግእ ይስሕቡ ከምዘለዉን ተሓቢሩ ነይሩ። ድሕሪ ምፍራም እቲ ስምምዕ፡ ኣብ መንጐ ሰራዊት መንግስቲ ፈደራልን ሓይልታት ትግራይን ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ደው ብምባል፡ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ካብ ዝተፈላለየ ኣንፈት ናብቲ ክልል ይኣቱ ከምዘሎ መንግስትን ትካላት ረድኤትን ክሕብሩ ጸኒሖም።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72npm3er3yo"} {"headline":"ትካል ዶናልድ ትራምፕ ግብሪ ብምትላል ገበነኛ ተባሂሉ","content":"ዋንነት ፕረዝደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዝዀነ ቤተሰባዊ ሪል ስቴት (ዘይተንቀሳቓሲ ንብረት) ብጥሕሰታት ግብሪ ገበነኛ ተባሂሉ። እቲ ትካል ዶናልድ ትራምፕ፡ ዳያኑ ኒውዮርክ ንኽልተ መዓልታት ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተ፡ ትማሊ ሰሉስ እዩ ብዅሉ ክስታት ተፈሪዱ ዘሎ። እዚ፡ ሓደ ካብ ትካላት ንግዲ እቲ ፕረዝደንት ነበር እኳ እተዀነ፡ ዶናልድ ትራምፕ ይዅን ካብ ኣባል ስድራኡ ኣብቲ መጋባእያ ኣይተረኸቡን። ብብይን እቲ ቤት-ፍርዲ ከምዝሓረቐ ዝገለፀ ትራምፕ፡ ይግባይ ከምዝብል ተሓንዩ፤ ነቲ ጉዳይ ድማ፡ “ሃዲንካ ናይ ምጥቃዕ’ዩ” ክብል ገሊፅዎ። እቲ ኩባንያ ክኸፍሎ ትጽቢት ካብ ዝግበረሉ መጠን ግብሪ ንምንካይ፡ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ብላዕለዎት ፈጸምቲ ስራሕ ብዘይሕጋዊ መገዲ ትሑት ክፍሊት መሃያ ከምዝኸፍል ብምምሳል’ዩ ተኸሲሱ ዘሎ። ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ምቹኣት መኻይንን ናይ ውልቀ ቤት-ትምህርቲ ክፍሊት ግብሪ ካብ ዘይተፈጸመሎም ከምዝዀኑ ገሊፆም። ነዚ ብይን ቤት-ፍርዲ ስዒቡ፡ እቲ ኩባንያ ቅጽዓት ኣስታት 1.6 ሚልዮን ዶላር ከም ዝጽበዮን ንመጻኢ ብድሆታት ልቓሕን ፋይናንስን ከጋጥሞ’ዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር። ዶናልድ ትራምፕ ቅድም ክብል፡ ከይዲ እቲ ፍርዲ ፖለቲካዊ ሽርሒ ዘለዎ’ዩ ክብል ነቒፉ ነይሩ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ብምጥፍፋእ ግብሪ ገበነኛ ከም ዝዀነ ዝተኣመነን ኣብ ልዕሊ እቲ ትካል ንግዲ ዝመስከረን ዋና ሓላፊ ፋይናንስ ነበር ኣለን ወይሰልበርግ ዘሊፉ። ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዋና ሓላፊ “ብውልቁ ብዝፈፀሞ ምትላል ግብሪ” እቲ ትካል ክቕጻዕ የብሉን ኢሉ። ወሲኹ፡ “እዚ ጉዳይ ኣቐዲሙ ተራእዩ ዘይፈልጥን... ኣብ ታሪኽ ሃገርና መቐጸልታ እቲ ሃዲንካ ናይ ምጥቃዕ ተግባር እዩ” ኢሉ። ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ኣብቲ ንሽዱሽተ ሰሙናት ዝቐፀለ መጋባእያ፡ ነቲ ሆቴላት፡ መጻወቲ ሜዳታት ጐልፍን ኣብ ካልኦት ሃገራት ካልእ ሃብትን ዘመሓድር ትካል ዶናልድ ትራምፕ “ልምዲ ጕሕለትን ምትላልን” ዘለዎ ክብሉ ከሲሶም። እቲ ብፕረዚደንት ነበር ዝውነን ትካል፡ ምስ ምትላል ግብሪ ዝዛመድ ታሪኽ ከምዘለዎ ዝግለጽ ኰይኑ፤ ኣመራርሓ ዝረኽብዎ ጥቕሚ ኣትሒቱ ብምምዝጋብ፡ ትጽቢት ካብ ዝግበረሉ ትሑት ግብሪ ከምዝኸፍል ገሊጾም። ኣኽባሪ ሕጊ ጆሽዋ ስተይንግላስ ነቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ትካል “ንላዕለዎት ኣመራርሓ ንምሕጓስን እምነቶም ተኣማንነቶም ንምውሓስን” ነዚ ምትላል ዝፍጽም ኢሉ። መሻርኽቲ እዚ ኩባንያ ዝዀኑ ‘ትራምፕ ኮርፕ’ን ‘ትራምፕ ፐይሮል ኮርፕ’ን ምስ ምትላል ግብርን ስኑዕ ሰነድ ብምቕራብን ዝዛመድ 17 ክስታት ቀሪብሎም። ብዛዕባ እቲ ትካል ምስክር ዝሃበ ኣለን ወይሰልበርግ፡ ምስ ኣኽባሪ ሕጊ ስለዝተሓባበረ ካብ ሓሙሽተ ወርሒ ንላዕሊ ኣይክእሰርን እዩ። ብኻልእ ዜና፡ ትራምፕን ሰለስተ ዓበይቲ ደቁን ካልእ ክሲ ቤት ፍርዲ ይጽበዮም ኣሎ።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c10dz2gvpm7o"} {"headline":"ጓል ፕረዚደንት ኣንጎላ ነበር ኢዛቤል ዶስ ሳንቶስ ኣብ ቀይዲ ክትኣቱ ትእዛዝ ተዋሂቡ","content":"ጓል ፕረዚደንት ኣንጎላ ነበር ኢዛቤል ዶስ ሳንቶስ ኣብ ቀይዲ ክትኣቱ ትእዛዝ ከምዝተመሓላለፈ ዋና ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር ኣረጋጊጹ ክብላ ማዕከናት ዜና ኣንጎላ ጸብጺበን። ዋና ኣኽባር ሕጊ ሄልደር ፒታ ግሮዝ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ነታ ብዝምታ ሃብቲ ሃገራ እትኽሰስ ኢዛቤል ንምርካብ ምስ ዓለምለኻዊ ውደብ ፖሊስ (ኢንተርፖል) ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊጹ። ሓላፊት መንግስታዊ ትካል ነዳዲ፡ 'ሳናንጎል' ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብዝፈጸመቶ ሕማቕ ምሕደራን ምጥፍፋእ ብቢልዮናት ዝቑጸር ገንዘብ ሃገርን'ያ ተኸሲሳ ዘላ። መንግስቲ ኣብ ልዕሊኣ ሲቪላውን ገበናውን ክሰታት ብምቕራብ ልዕሊ 5 ቢልዮን ዶላር ክትከፍል'ዩ ዝጠልብ። ኢዛቤል ንኣመሪካዊ ጋዜጣ 'ኒውዮርክ ታይምስ' ኣብ ዝሃበቶ ቃለመሕትት፡ ንዝቐርበላ ሕቶታት ክትምልስ ፍቓደኛ ምዃና ገሊጻ። \"ኣድራሻይ ፍሉጥ'ዩ፡ ኣበይ ከምዘለኹ'ውን ፍሉጥ'ዩ\" ብምባል ኣብ ለንደን ትነብር ከምዘላ ነቲ ጋዜጣ ተዛሪባ። \"ካብ ሕጊ ዝሃድም ሰብ ኣይኮንኩን፡ ካብ ዝኾነ ሰብ ኣይተሓባእኩን\" ዝበለት ኢዛቤል፡ እቲ ክስታት ፖለቲካዊ ሃቐነ ዘለዎ'ዩ ክትብል ትነጽጎ። ንኣስታት ኣርባዕተ ዓሰርተ ዓመታት ነታ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ሃገረ ኣንጎላ ዝመርሐ ኣቦኣ ፕረዚደንት ኣንጎላ ዝነበር ጆሰ ኤድዋርዶ ዶስ ሳንቶስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ'ዩ ኣብ መበል 79 ዓመቱ ኣብ ስጳኛ ዓሪፉ። ሓዋ ጆሴ ፊሎመኖ ዶስ ሳንቶስ'ውን ኣስታት ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ሃብቲ ናይታ ሃገር ኣጠፋፊኡ ብዝብል ክሲ ን5 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ ነይሩ። እቲ ወዲ 42 ዓመት፡ ሓላፊ ማዕከን ገንዘብ እታ ሃገር ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣስታት 1.5 ቢልዮን ዶላር ከጠፋፍእ ሓሲቡ ተባሂሉ ተኸሲሱ ነይሩ። ካብ ካዝና መንግስቲ 500 ሚልዮን ዶላር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ናይ ባንኪ ሕሳቡ ከም ዘሰጋገረ እዩ ብዋና ኣኽባር ሕጊ'ታ ሃገር ተኸሲሱ። ኣቡኡ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናይ 5 ቢልዮን ዶላር ፋንድ ከንቀሳቕስ ሓላፍነት ተዋሂብዎ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘጠፋፈአ'ዩ ዝንገረሉ። ኢዛቤል፡ ሰብኣያ ሲንዲካ ዶኮሎ ወዲ ኮንጎ ኮይኑ ኣብ ምእካብ ክቡር ቅብኣታት ዝተዋፈረ ነጋዳይ ምዃኑ ይግለጽ። ኣብ ብሪጣንያ ዝተማህረት ኢዛቤል፡ ኣብዚ እዋን ድማ ኣብ ለንደን ትነብር። ንሳ፡ ልዕሊ $2 ቢልዮን ዶላር ሃብቲ ዘለዋ፡ ካብ ኣፍሪቃ እታ ዝሃብተመት ጓል-ኣንስተይቲ ተባሂላ ትጥቀስ።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3gxd1d8xpjo"} {"headline":"ጥንሲ ክንጽላ ንዝደልያ ነብሰ-ጾራት ብናጻ ዘጎዓዕዝ ፓይለት","content":"ኣመሪካዊ ቲም ዲሬገር ኣብ መሰል ጥንሲ ምንጻል ዝኸልከላ ግዝኣታት ኣመሪካ ተጸገሚን ናብተን ጥንሲ ምንጻል ዘፍቅዳ ግዝኣታት ከይደን ጥንሰን ከውርዳ ዝደልያ ነብሰ-ጾራት ብናይ ብሕቱ ነፋሪት ብወለንትኡ የጎዓዕዘን ኣሎ። ንሱ ናጽነተን ክኽበረለን ይሰርሕ ከምዘሎ'ዩ ዝገልጽ።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c51571w1zyqo"} {"headline":"ጀርመን፡ ኣብ ውሽጢ ትሽዓተ ደቓይቕ 1.6 ሚልዮን ዩሮ ዘውጽእ ሰልዲ ወርቂ ካብ ቤተመዘክር ተሰሪቑ","content":"ኣብ ማኑሺንግ፡ ባቫርያ ካብ ዝርከብ ቤተ-መዘክር፡ ከባቢ ፍርቂ ለይቲ፡ ኣብ ውሽጢ ትሽዓተ ደቓይቕ ብኣማኢት ዝቑጸር ሰልዲ ከም እተሰርቀ ፖሊስ ሓቢሩ። እቶም ሰረቕቲ ነቲ ናይ ቤተ-መዘክር መጠንቀቕታ (ኣላርም) ኣበላሽዮሞ ክዀኑ ከምዝኽእሉ ይግመት። እቶም ዘመትቲ ናብቲ ቤተመዘክር ቅድሚ ምእታዎም፡ ኣብ ጥቓ እቲ ቤተመዘክር ዝነበረ ናይ ኢንተርነት ገመዳት ተበቲኹ ከምዝነበረ ተፈሊጡ። ፖሊስ፡ እቲ ኣቐዲሙ እተገብረ ነገራት ምስቲ ስርቂ ዝተሓሓዝ እንተ ዀይኑ ይምርምር ኣሎ። እቲ ኣግማድ ስለዝተበትከ እቲ ስርቂ ክፍጸም እንከሎ እቲ ናይ መጠንቀቕታ ደወል ሓበሬታ እኳ እንተዘይሃበ እቲ ማዕጾ ምስ ተኸፍተ ግን ነቲ ስርቂ ክምዝግቦ ይኽእል ነይሩ። እቶም ሰራሕተኛታት ንጽባሒቱ፡ ኣብ ባይታ እቲ ቤተ መዘክር ስብርባር ቤትሮ ክረኽቡ እንከለው ካብቲ ንምርኢት ዝቐረበ ናይ ቤትሮ ሳናዱቕ፡ ዝጠፍአ ናይ ወርቂ ሰልዲ ከምዘሎ ተዓዚቦም። ሓላፊ መንግስታዊ ኣርኪዮሎጂካዊ ቅርስታት ዝኾነ ሩፐርት ገብሃርድ \"ልክዕ ከም ናይ ቀደም ዓርከይ ዝጠፍኣኒ ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ\" ክብል ሓዘኑ ገሊጹ። እቲ ካልኣይ ጥንታዊ ቅርሲ ወርቂ ሰልዲ ዝረኣየሉ ዝነበረ ቤትሮ እውን ተሰይሩ ካብኡ ከኣ ሰለስተ ዓበይቲ ናይ ወርቂ ሰልዲ ተወሲዱ ጸኒሑ። ሰበ-ስልጣን ብድሕሪ እቲ ስርቂ ሰልዲ ገበናዊ ሽርሒ ክህሉ ከምዝኽእሉ ይጥርጥሩ። ፖሊስ ድማ ምስቶም ኣቐዲሙ ዝተፈጸመ ስርቂ \"ምምስሳል\" ከም ዘለዎ ይግምት። ኣብ 2017፡ ኣስታት 100 ኪግ ዝምዘን ሓደ ዓቢ ናይ ገንዘብ ወርቂ ካብ ቤተ መዘክር በርሊን ተሰሪቑ ነይሩ። ድሕሪ ክልተ ዓመት እውን፡ ሰረቕቲ ኣብ ድረዝደን ካብ ዝርከብ ቤተ መዘክር 21 ዓይነት ዝተፈላለየ ናይ ኣልማዝ ስልማትን ካልእ ክቡር ነገራትን ጉሒሎም። ይኹን እምበር፡ ፖሊስ፡ ኣብ መንጎ እቶም ነዚ ንብረት ዝሰረቑ ሰባት ርክብ ብዛዕባ ምንባሩን ዘይምንባሩን ኣጻርዮም ክፈልጡ ኣይከኣሉን። እንተኾነ፡ ሰለስተ ካብቶም ስልማት ኣልማዝ ዝሰረቑ ሰባት ኣብ በርሊን ተታሒዞም። ምኒስተር ስነ-ፍልጠትን ስነ-ጥበብን ባቫርያ ብረይተር ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ \"ስቕ ኢልካ ናብ ቤተ-መዘክር ኬድካ ሃብቲ ኣይትዘምትን ኢኻ” ኢላ። \"እቲ ቦታ ኣዝዩ ጽኑዕ ሓለዋ ዘለዎ ቦታ ብምዃኑ እቲ ተግባር ተራ ስርቂ ጥራሕ ዘይኮነ ዝተወደበ ገበናዊ ምትእስሳር ከምዘሎ ዘርኢ ጌርና ክንሓስብ ርትዓዊ እዩ\" ኢላ። እቶም ሰረቕቲ ስልማት ኣልማዝ፡ ኣብ 2019 ኣብ ድረዝደን ግሪን ቮልት፡ ብሲሲቲቪ እዮም ተታሒዞም። ክኢላታት፡ እቲ እተሰርቀ ናይ ኣዋርቕ ሰልዲ ክመክኽ ስለዝኽእል ታሪኻዊ ክብሩ ክንክን ክጠፍእን ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም። እቲ ኣዋርቕ ኣብቲ ብ1999 ኣብ ጥቓ ማንቺንግ ዝርከብ ስነ-ጥንታዊ ዅዕታ እዮም ተረኺቦም። ሽዑ ከኣ ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ዝተረኽበ ዝዓበየ ርኽበት ወርቂ ሰልቲክ ከም ዝኾነ ጌርካ እዩ ዝረአ ነይሩ። ምኒስተር ብሉም፡ እቲ ርኽበት፡ ብዛዕባ እቶም ቅድሚ ኣስታት 2000 ዓመት ኣብ ባቫርያ ዝነብሩ ዝነበሩ ሰባት መዓልታዊ ህይወት እንታይ ይመስል ከምዝነበረ ዘርኢ ጽቡቕ ርኽበት እዩ ነይሩ ኢሉ።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cjm3en0n2mro"} {"headline":"ጃምላዊ መቓብር ኢትዮጵያውያን፡ ወዲ በዓልቲቤት ፕረዚደንት ማላዊ ነበር ኣብ ቀይዲ ኣትዩ","content":"ፖሊስ ማላዊ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ምስ ዝተረኸበ 30 ሬሳታት ዝሓዘ ጃምላዊ መቓብር ብዝተኣሳሰር ንወዲ በዓልቲቤት ፕረዚደንት ነበር ፒተር ሙታሪካ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ተገሊጹ። ሰብመዚ ማላዊ፡ ንታዲኪራ ማፉብዛ ንሓያሎ መዓልታት ክደልይዎ ድሕሪ ምጽንሖም ትማሊ ረቡዕ ኣብ ርእሰ ከተማ ሊሎንግዌ ኢዱ ከምዝሃበ ይገልጹ። ወሃቢ ቃል ፖሊስ፡ ንማፉብዛ ምስቲ ኣብ ሰሜናዊ ማላዊ ኣብ ዝርከብ ኣውራጃ ምዚምባ ዝተረኽበ መቓብራት ዘተኣሳስር ጽኑዕ መርትዖ ከምዘሎ ገሊጹ። እቶም ሬሳታት ኩሎም ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክኣትዉ ዝሓሰቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ከምዝኾኑ ይእመን። ፖሊስ ማላዊ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ \"ኣብቲ ቦታ ዝተኣከበ መርትዖ፡ እቶም ግዳያት ዜጋታት ኢትዮጵያ ምዃኖም ዘርኢ'ዩ\" ምባሉ ይዝከር። ጠንቂ ሞት እቶም ስደተኛታት’ውን ይምርምር ከምዘሎ ገሊጹ ኔሩ። እቶም ግዳያት ኩሎም ካብ 25 ክሳብ 40 ዓመት ዝዕድሚኦም ደቂ ተባዕትዮ እዮም። ብድሕሪ’ዚ ፖሊስ ኣብ ሰሜናዊ ዶብ ከተማ ካሮንጋ ኣብ ዝርከብ ሕዙእ ጫካ ተሓቢኦም ዝተረኽቡ 72 ኢትዮጵያውያን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ’ዩ። ብተወሳኺ፡ ነቶም ኢትዮጵያውያን ብዘይሕጋዊ መገዲ ብምስግጋር ናይ ዝተዋፈረ መርበብ ኣካል እዮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ዓሰርተ ማላውያን’ውን ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ነይሩ። ነዚ ስዒቡ፡ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ኣምባሳደር መለስ ኣለም ኣብዚ ጉዳይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ በቲ ክስተት ከምዝሓዘነ ብምግላጽ፡ መንግስቱ ምስ መንግስቲ ማላዊ ብምዃን መርመራ ይገብር ከምዘሎ ገሊጹ። ውጽኢት እቲ መርመራ'ውን ንህዝቢ ክግለጽ ምዃኑ'ውን ሓቢሩ። ሚኒስትር ፀጥታ ውሽጢ ሃገር ማላዊ፡ ዣን ሰንደዛ ብወገና \"ዘሕዝን ኩነታት እዩ\" ክትብል ንቢቢሲ ፎከስ ኦን ኣፍሪካ ምግላጻ ዝዝከር እዩ። ንሳ፡ ፖሊስ ይምርምር ከምዘሎን እቶም ኣብዚ ጉዳይ ዝተሳተፉ ከምዝተሓዙን ኣስሚራትሉ ነይራ። መንግስቲ፡ ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊት ክፋል’ታ ሃገር ዘይሕጋዊ ስግግር ደቂ ሰባት ደው ንምባል ኣብ ጽርግያታትን ዶባትን \"ቁጽጽር የሐይል\" ከምዘሎ ሰንደንዛ ወሲኻ ገሊጻ። እታ ሚኒስትር ከምዝበለቶ፡ ብዙሓት ካብቶም ኣሰጋገርቲ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመጽኡ እዮም። ፖሊስ ካብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ጀሚሩ 221 ስደተኛታት ክሕዝ እንከሎ፡ ካብዚኦም እቶም 186 ዜጋታት ኢትዮጵያ ከምዝኾኑ ጸብጻባት ይሕብሩ። መብዛሕትኦም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት፡ ንማላዊ፡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣውሮጳ ወይ ኣሜሪካ ከም መተሓላለፊ ዝጥቀሙላ ከም ዝዀኑ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ይገልጹ። ጽልዋ ዘለዎም ማላዊያውያን’ውን ኣብቲ ሰንሰለት ዘይሕጋዊ ስግረ ዶብ ከምዘሳተፉ ይግመት። ኣብ 2020 ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ማላዊ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ነበር ኡላዲ ሙሳን ሓደ ሓላፊ ኢሚግሬሽንን፡ ማላዊያውያን ንዘይኮኑ ሰባት ፓስፖርት ማላዊ ንኽረኽቡ ብምሕጋዞም ንሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ ፈሪዱሎም ነይሩ።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crgz21gv1ygo"} {"headline":"ጉግል ምስ ምስጢራውነት ብዝተሓሓዝ ናይ 391 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል እዩ","content":"ጉግል ምስ ኣተኣኻኽባ ምስጢራዊ መረዳእታ ዓማዊል ብዝተሓሓዝ ንዝቐረበሉ ክሲ፡ ኣብ ታሪኹ እቲ ዝለዓለ፡ ናይ 391 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል እዩ። እቲ ትካል ዘለዉዎ ከባቢ ክፍለጥ ናይ ዘይደለዩ ሰባት፡ ዝርከቡሉ ቦታ ክቃላዕ ከምዝገበረ ካብ 40 ግዝኣታት ኣሜሪካ ክሲ ቀሪቡሉ። ጉግል ናይ ሰባት ቦታ ምስ ምምልኻት ብዝተሓሓዝ ግልጺ ክኸውንን፡ ብዛዕባ እቲ ዝእክቦ ሓበሬታ ንዓማዊሉ ክገልጽን ተነጊርዎ እዩ። እቲ ክፍሊት ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ብዙሓት ግዝኣታት ዝተኻፈላሉ ምስ ምስጢራውነት ዝተተሓሓዘ ካሕሳ እዩ። እቲ ትካል ኣብ ቀረባ ዓመታት ብዙሕ ምምሕያሻት ከምዝገበረ እዩ ዝገልጽ። ጉግል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብተመሳሳሊ ምስ ምሕባር ቦታ ብዝተሓሓዝ ንግዝኣት ኣሪዞና ናይ 85 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል ተሰማሚዑ እዩ። ተጠቀምቲ ዝርከቡሉ ከባቢ ምፍላጥ፡ ምህርቲታት ዘወዓውዑ ትካላት ናብ ዓማዊል ክበጽሑ ይሕግዞም። እዚ ድማ ጉግል ዓመታዊ ኣስታት 200 ቢልዮን ዶላር ክሓፍስ የኽእሎ። ነቲ ጉግል ዝተኸሰሰሉ ጉዳይ ሒዙ ዝጸንሐ ዓቃቢ ሕጊ  ኦረጎን፡ ኤለን ሮዘንብለም “ ጉግል ንዓመታት ካብ ናይ ዓማዊሉ ድሕነት ንመኽሰቡ እዩ ዘቐድም ነይሩ” ኢላ። “እቶም ዓማዊል ነቲ ኣብ ስልኮም ዘሎ፡ ዘለዉሉ ከባቢ ዝሕብር ኣገልግሎት ከምዘጥፍእዎ እዮም ዝሓስቡ፤ ኮይኑ ግና እቲ ትካል ብምስጢር ንምንቅስቓሶም እናመዝገበ እቲ ሓበሬታ ኣወዓዋዕቲ ምህርቲ ክጥቀሙሉ ይገብር።” “ጎራሕን መታለልን ኮይኑ እዩ ጸኒሑ” ክትብል እውን ወቒሳ። እቶም ዓቀብቲ ሕጊ፡ ጉግል ብውሑድ ካብ 2014 ጀሚሩ መሰል ሓለዋ ተጠቀምቲ ብምጥሓስ፡ ንኣገልግሎት ምሕባር ቦታ ብዝምልከት ንዓማዊሉ ከጋግይ ከምዝጸንሐ ይኸሱ። እቲ ትካል ካብ 2023 ጀሚሩ፡ ኣብ ዝህቦም ሓበሬታታት፡ ሰባት ዘለዉሉ ካባቢ ዝምልከት ምምሕያሽ ክገብር ተነጊርዎ ኣሎ።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c2vq61zx129o"} {"headline":"ቅድሚ 51 ዓመት ብቘልዓኣ ዝጠፍአት ሰብ ምስ ወለዳ ተራኺባ","content":"መሊሳ ሃይስሚዝ እተባህለት ጓል 53 ዓመት ነባሪት ቴክሳስ ብመርመራ ዲኤንኤ ምስ ወለዳ ተራኺባ። እታ ብ1971 ጓል 22 ወርሒ እንከላ ኣብ ፎርት ዎርዝ ካብ ዝርከብ ቤት ስድራቤታ ብኣላይታ ሰራሕተኛ ተጨውያ ዝተሰወረት መሊሳ፡ ን50 ዓመታት ደሃይ ዝበሃል ኣይነበራን። ወለዳ ንነዊሕ ዓመታት ክደልይዋ'ኳ እንተፈተኑ፡ ሃለዋታ ኣይረኸቡን።  ዳሕራይ ቅምሶ ዲኤንኤ ስድራ ቤታ ናብቲ ወለዶታት ሰባት ዘገናዝብ ናይ ዲኤንኤ “መርበብ ኣበዋት” ምስተላእከ እዩ ደሃያ ተሰሚዑ። እቲ ንዝሓለፈ ፍርቂ ዘመን \"መላኔ\" ሃይስሚዝ ተባሂላ ክትጽዋዕ ዝጸንሐት ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ዝተሰወረት ጥፋእ ውላድ፡ ሕጂ ዓባይ ሰበይቲ ኰይና ዘላ ኣደ፡ ስማ ክትቅይር መደብ ኣለዋ። ዛንታ ናይዛ ሕጂ ምስ ወለዳ ዝተራኸበት ኣብ ነሓሰ 1971 ተሰሪቓ ዝተሰወረት መላኒ ሃይስሚዝ ብኸምዚ እዩ ዝጅምር። ወላዲታ ኣልታ ኣፓተንኮ ኣብ ሓንቲ ኣብቲ ከባቢ እትሕተም ጋዜጣ፡ ንህጻን ጓላ እትኣልየላ ሰብ ከም እተደሊ ምልክታ ኣቕሪባ። ብመሰረት ሕቶኣ ከኣ እታ ዳሕራይ ሰሪቓታ ዝተሰወረት ኣላይት ህጻን ኣብ ገዛኣ ኮይና ክትኣልያ ስራሕ ተቘጺራ። ነዊሕ ከይጸንሐት ከኣ ነታ ምንም ዘይትፈለጥ ጓል 22 ኣዋርሕ ህጻን ሒዛታ ጠፊኣ። ወለዲ እታ ህጻን ንጓሎም ንኽረኽቡ ምስ ፖሊስን ምምሕዳርን ብምትሕብባር ኵሉ ዝከኣሎም ገይሮም። ግን ደሃይ እታ ህጻን ኣይተረኽበን። ሽርበታ ንልዕሊ 50 ዓመት ምስጢር ኰይኑ ተረፉ። ካብ ዝሓለፈ መስከረም ኣቢሉ ግን እቶም ስድራ እታ ጓሎም ክትኣልየሎም ዝቘጸርዋ ሰብ ኣብ ደቡብ ካሮላይና ከምዘላ ደሃይ ሰሚዖም። ዓመታት ምስ ሓለፈ እታ ቘልዓ ሰሪቓ ዝተሰወረት ወ\/ሮ ሃይስሚዝ ዝከታተላ ሰብ ክህሉ ከምዝኽእል ረሲዓቶ ነይራ። ኣብ መጀመርታ እቶም ጓሎም ዝጠፍኣቶም ስድራ ከዘራርብዋ ከምዝደልዩ ዝበጽሓ ሓበሬታ ሓሶት ኰይኑ ስለዝተሰመዓ ግምት ኣይሃበቶን። ኣብ መወዳእታ፡ ብ6 ሕዳር ዝምድና ወለዶታት ኣብ ዘገናዝብ መርበብ ሓበሬታ ኣበዋት፡ “23 And Me” ብዝብል ዲኤንኤ ስድራ እቶም ጓሎም ዝጠፍኣቶምን ደቂ እታ ቘልዓ ዝሰረቐትን (ደቂ ወ\/ሮ ሃይስሚዝ) ምስ ተመርመረ እያ ሓቀኛ ወለዳ መን ምዃኖም ፈሊጣ። እቶም  “23ን ኣነን” ብዝብል ምርምር ውጽኢት ናይ ዲ.ኤን.ኤ. ዘረጋገጹ ጂኖሎጂስት ነቲ ናይ ሓምሳ ዓመታት ምስጢር ፈቲሖምዎ። ወለዳ “ንሜሊሳ ብሓገዝ ፖሊስ ይዅን ምርመራ ስድራ ቤትን ብጽንጽንታን ምክትታልን ዘይኮነ፡ ብሓገዝ ዲኤንኤ ኢና ረኺብናያ” ክብሉ ኣብ ፈይስቡክ ጽሒፎም። እታ ኣብ 1971ዝጠፍአት ሜሊሳን ወለዳን ንፈለማ ግዜ ብ26 ሕዳር እዮም ብፈይስቡክ ተራኺቦም። ሽዑ እቶም ወለዲ ክሳብ ሕጋውን ወግዓውን ሰርቲፊኬይት መርመራን ውጽኢትን ዲኤንኤ ዝረኽቡ ተጸብዮም። መሊሳ ሃይስሚዝ ንቢቢሲን መሻርኽቱ ሲቢኤስን ብምምስጋን፡ “ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ዘሐጕስ ስምዒት ወሪሱኒ ኣሎ” ኢላ። ወላዲታ ወይዘሮ ኣፓተንኮ፡ “እቲ ስድራ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ምስ ዝጠፍአት ጓሉ ምርኻቡ ክእመን ዘይከኣል እዩ” ክትብል ስምዒታ ገሊጻ። ቀጺላ፡ \"ምስ ምንዋሕ ግዜ ድሕሪ ደጊም ዝርእያን ዝረኽባን ኰይኑ ኣይተሰመዓንን ነይሩ” ኢላ። ብዛዕባ እታ ጨዋዪት ዝዀነ ይዅን ሓበሬታ ኣይተዋህበን። ብመሰረት እቲ ድሕሪ ሓምሳ ዓመታት ምስ ወለዳ እተራኸበት ወ\/ሮ መሊሳ ሃይስሚዝ ግን፡ እታ ንዓሰርተታት ዓመታት ዘዕበየታ ሰብ ካብ ስርሓ ከም ዝጨወየታን ወላዲታ ዘይምዃናን ተኣሚናትላ እያ። ወይዘሮ ሃይስሚዝ እዚ ጉዳይ ጋህዲ ምዃኑ ጥራሕ እኹል እዩ ትብል። እታ ቘልዓ ካብ እትጭወ ነዊሕ ዓመታት ስለዝገበረት ፖሊስ ፎርት ዎርዝ ነዚ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ሓቅታት ብምግንዛብ መርመራና ክንቅጽል ኢና ክብሉ መግለጺ ሂቦም። እቲ ኵነታት ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቶም ስድራ ቤት ነቲ ዝተኸስረ ዓመታት ንምክሕሓስ ድሮ ምስታ ድሕሪ 50 ዓመታት ዝረኸብዋ ጓሎም ምልምማድን ብሓንሳብ ምንባርን ከምዝጀመሩ ሓቢሮም። ንኣብነት፡ ኣሓት ናይታ ጠፊኣ ዝተረኽበት ወ\/ሮ ሃይስሚዝ ንማዕከን ዜና ዋሽንግተን ፖስት፡ መታን ናይ ስጋ ወለዲኣ ኣብ መድረኽ ብወግዒ ከሰንያ ምስ በዓል ቤታ ንመርዓኣ ዳግም ከተሐድሶ ከምዝወሰነት ገሊጸን። “ሕጂ ልበይ ረጊኡለይ እዩ። መንፈሰይ ብታሕጓስ መሊኡ እዩ። ናይ ብሓቂ ደስ ኢሉኒ ኣሎ” ክትብል ንሲቢኤስ ተዛሪባ።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw4n3g19zlko"} {"headline":"ሃለዋታ ጠፊኡ ዝቐነየ ኤርትራዊት-ኣሜሪካዊት ሞይታ ተረኺባ","content":"ቅድሚ ሓደ ሰሙን ሃለዋታ ጠፊኡ ዝነበረ ሓንቲ ኤርትዊት ነባሪት ኣሜሪካ ሬሳኣ ከምዝተረኽበ ፖሊስ ሓቢሩ። ሬሳ ናይታ ነባሪት ክፍለግዝኣት ተነሲ ምንባራ ዝተገልጸት ግዳይ፡ ኣብ ውሽጢ ብፖሊስ ክፍለግዝኣት ሚሺጋን ትህደን ዝነበረት መኪና'ዩ ተረኺቡ። ኢለኒ ካሳ፡ ካብ 17 ሕዳር 2022 ኣትሒዙ ሃለዋታ ጠፊኡ ምጽንሑ ፖሊስ ናይቲ ትነብረሉ ዝነበረት ከባቢ መርፍሪቦሮ (ተነሲ) ኣብ መግለጺኡ ጠቒሱ። እታ ጓል 31 ዓመት፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንዝነበረት ጓላ ክትወስዳ ከምዘይመጸት ድሕሪ ምርግጋጹ'ዩ ሃለዋት ከምዘጥፍአት ተፈሊጡ። ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ክትድለ ድሕሪ ምጽንሓ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ካብ ፖሊስ ክትሃድም ዝተጋጨወት መኪና ተረኺባ። ሓንቲ ካብተን ኣብታ መኪና ዝነበራ መንነተን ዘይተገልጸ ክልተ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ምስ ፖሊስ ድሕሪ ዝተኻየደ ምልውዋጥ ተዅሲ ተቐቲላ ክትርከብ እንከላ፡ እታ ካልኣይቲ ቈሲላ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣብ ሆስፒታል ትእለ ኣላ። ኢለኒ ካሳ ኣብቲ ዝተኻየደ ስርሒት ፖሊስ ከምዘይተቐትለትን ድሮ ሞይታ ኣብ ናይ ድሕሪት መጽዓኒ ኣቑሑት (ትራንክ) ከም ዝተረኽበት መርመርቲ ገሊጾም ኣለዉ። ስድራቤታ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ብ18 ሕዳር ደሃይ ከምዘጥፍአት ንፖሊስ ድሕሪ ምሕባሮም፡ ሰብመዚ ፖሊስ ናይቲ ትነብረሉ ከባቢ ኣብ መዝገብ ሃለዋት ዘጥፍኡ ሰባት ብምእታው ትድለ ከምዘላ ኣዊጆም። ፖሊስ መርፍሪስቦሮ ኣብቲ መዓልቲ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ \"ኣብ ውሽጢ ዶጅ ቻርጀር [ዝዓይነታ መኪና] ክትጓዓዝ ከምእትኽእል\" ጠቒሱ። ትማሊ ሰኑይ ፖሊስ መርፍሪስቦሮ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሰንበት ኣብ ዲርቦርን ዝተባህለ ቦታ (ሚሺጋን) ኣብ ድሕሪት ናይታ ብፖሊስ ምስ ተሃድነት ዝተጋጨወት መኪና ከምዝተረኽበ ሓቢሩ። \"ምስ ኣባላት ፖሊስ ድሕሪ ዝተኻየደ ምልውዋጥ ተዂሲ. . .ሞይታ ዝተረኽበት ሰብ ናይታ ሃለዋታ ጠፊኡ ዝጸንሐ ነባሪት መርፍሪስቦሮ ዝዀነት ኢለኒ ካሳ እዩ\" ኢሉ። \"ኣብ መንበሪ ገዛ [ኢለኒ] ካሳ ድሕሪ ዝተፈጥረ ምስሕሓብ፡ ኣብ መንጐ ኢለኒን ጓል 36 ዓመት ዓርካ ዶሚኒክ ሃርድዊክን ጎነጽ ዝተሓወሶ ዘቤታዊ ዓመጽ ከምዝተፈጸመ ዝተኻየደ መርመራ ኣቃሊዑ\" ይብል እቲ ናይ ፖሊስ መግለጺ። \"ናይ [ኢለኒ] ካሳ ሞባይል ተለፎንን መኪናን ኣብ ገዝኣ ተገዲፉ። ክልቲአን በታ ጸላም ዶጅ ቻርጀር [ዝዓይነታ ናይ ሃርድዊክ መኪና] ይጓዓዛ ምንባረን'ዩ ዝእመን\"። ኣባላት ክፍሊ መርመራ ገበን መርፍሪስቦሮ፡ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ኣብ ዘካየድዎ መርመራ፡ ንመንበሪ ገዛ ናይታ \"ዓርኪ\" ኢለኒ ዝኾነት ጓል 36 ዓመት ዶሚኒክ ሃርድዊክ ዝርከቦም ዝተፈለለዩ ቦታት ከምዝፈተሹን እቲ መግለጺ ይጠቅስ። ብምትሕብባር ፖሊስ ክፍለግዝኣት ኦሃዮን ሚሺጋንን'ዩ ምንቅስቓስ ናይታ መኪና ክፍለጥ ተኻኢሉ። ኣባላት ፖሊስ ዲርቦርን ብሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ነታ መኪና ተኸታቲሎም ምስ ሰዓቡዋ፡ ደው ከብሉዋ ፈቲኖም። ብድሕሪ'ዚ፡ እታ መኪና ተጋጭያ። ቀጺሉ ተዂሲ ተሰሚዑ። \"ድሒሩ ከኣ [ኢለኒ] ካሳ ኣብ ድሕሪት ናይታ መኪና ሞይታ ተረኺባ። ሃርድዊክ'ውን ሞይታ፡ ምናልባት ባዕላ-ብዝተኮሰቶ ብረት ክኸውን ይኽእል\" ይብል ጸብጻብ ፖሊስ መርፍሪስቦሮ። ቤተሰባ ገንዘባዊ ደገፍ ንምርካብ ኣብ ጎፋንድሚ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ \"ትማሊ ዘሕዝን ሞት ሓፍትና (ኢለኒ ካሳ) ተረዲእና\" ብምባል ሬሳኣ ኣብ መኪና ኣብ ዲትሮይት ሚሺጋን ከምዝተረኽበ ይጠቅስ። \"ኢለኒ፡ ፍትዉቲ ሓፍቲ፡ ጓል-ሓፍቲ\/ሓዊ፡ ሓትኖ\/ኣሞ፡ ከምኡ'ውን ጥዕምቲ ኣደ ጓል 6 ዓመት ጓላ'ያ ነይራ። \"ኢለኒ'ውን፡ ጓል 4 ዓመት እንከላ'ያ ወለዳ ስኢና። ዓባያ'ያ ንዓኣን ኣሕዋታን ኣዕቢያተን፡ ጥቡቕ ዝምድና ስድራቤት'ዩ ነይሩወን። ብዙሕ ዘሕዝን ተረኽቦታት'የን ሓሊፈን። ግን፡ ካብዚ ዅሉ ሰብ ንዓኣ ከምዚ ዘሰንብድ ፍጻመ ክገጥማ ኣይተጸበናን\" ይብል እቲ ብሚኪ ግርማይ ዝተኸፍተ ማዕከን። ዛጊት ኣስታት 37,000 ዶላር ኣብቲ ዝተኸፍተ ሕሳብ ተዋጺኡ'ሎ። እቲ ስድራቤት ኣብ ክፍለግዝኣት ተነሲ ተኣኻኺቡ ከምዘሎን እቲ ዝዋጻእ ገንዘብ \"ሬሳኣ ናብ ኤርትራ መስደዲን ንስነስርዓት ቀብራን\" ዝውዕል ምዃኑ'ውን እቲ መግለጺ ጠቒሱ'ሎ።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cjr2w2vye42o"} {"headline":"ሓንቲ ጐርዞ ንወግዓዊ ቅጽዓት ሞት ኣቦኣ ከይትርኢ ዳኛ ወሲኑ","content":"ጓል 19 ዓመት ኣሜሪካዊት ኣቦኣ ክርሸን እንከሎ ንኸይትርኢ ዳይና ክውስን እንከሎ፡ እቲ ዘቕረቦ ምኽንያት ድማ ሕጊ ሚዙሪ ጠቒሱ፡ ገና ኣብ ንኡስ ዕድመ እትርከብ ስለዝዀነት'ያ ኢሉ። ኣቦ ናይታ ንእስቲ ኬቨን ጆንሰን ወዲ 19 ዓመት መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ ኣብ 2005 [ኣ.ኣ] ንፖሊስ ስለዝቐተለ ብሞት ክቕጻዕ ዝተወሰነ ኰይኑ፡ ፍርዱ ድሕሪ ጽባሕ ሰሉስ ተፈጻሚ ክኸውን እዩ። ንሱ፡ እቲ መቕጻዕቲ ሞት ኣብ ዝፍጸመሉ ኣጋጣሚ ጓሉ ኮሪ ራመይ ብኣካል ክትርከብ ሕቶ ኣቕሪቡ ነይሩ። እንተዀነ ማሕበር ስቪላዊ ሓርነት ኣሜሪካ ኣክንዲ እታ ጓሉ ቅልጡፍ ሰነድ ብምቕራብ፡ ሕጊ ናይታ ሃገር፡ ሕገ-መንግስታዊ መሰላ ከምዝግሃሰ ተኻቲዑ። ወከልቲ እቲ ማሕበር ንሕጊ ሚዙሪ ብምጥቃስ ዝዀነ ይዅን ሰብ፡ ዕድመኡ ትሕቲ 21 እንተዀይኑ መቕጻዕቲ ቅትለት ካብ ምርኣይ ዝኽልክል’ዩ ኢሎም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ወዲ 37 ዓመት ዝዀነ ጆንሰን ጓሉ ራመይ ጓል 2 ዓመት እንከላ ኣትሒዙ እዩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነይሩ። እቶም ኣቦን ጓልን ምሕዝነቶም ብተሌፎን፡ ኣካላዊ ምብጽጻሕ፡ ደብዳበን ኢመይልን እዮም ኣማዕቢሎምዎ። ጓሉ ራመይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓድሽ ውላዳ ሒዛ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ብምኻድ ምስ ኣቦሓጐኡ ኣላልያቶ’ያ። ራመይ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ “ኣቦይ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ሰዓታቱ ምስኡ ክኸውን ብዘይምኽኣለይ ልበይ ተሰይሩ’ዩ” ብምባል፡ ኣቦኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጻኒሒቱ ንገዛእ ርእሱ ንምህዳስ ሓያል ጻዕሪ ከምዘካየደ ገሊጻ። ራመይ ኣስዒባ ኣመሓዳሪ ሚዙሪ ንኣቦኣ ምሕረት ክገብረሉ ጸሎት ትገብር ምንባራ ኣፍሊጣ። ጆንሰን ንኣቦ ሰለስተ ቈልዑ ዝዀነ ኣባል ፖሊስ ሚዙሪ ዝነበረ ዊልያም ማክኢንተ ተኵሱ ብምቕታሉ'ዩ ገበነኛ ምዃኑ ተረጋጊጹ’ዩ። ጠበቓታት ጆንሰን ብህይወት ንኽጸንሕ ዝተኻትዑ'ኳ እንተዀኑ ነቲ ገበን ከምዝፈጸሞ ግን ኣይከሓዱን። እንተዀነ፡ ኣብ መስርሕ ብይን መቕጻዕቲ ሞት ዓሌትነት ናይ ገዛእ ርእሱ ግደ ከምዝተጻወተ ተዛሪቦም።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/clj33dpjx82o"} {"headline":"ኣሜሪካ ኣብ ጓንታናሞ ቤይ ሒዛቶ ንዝጸንሐት ዝዓበየ እሱር ፈቲሓ","content":"ኣሜሪካ ኣብቲ ፍሉጥ ቤትማእሰርቲ ጓንታናሞ ቤይ ዳርጋ ንዒስራ ዓመታት ቀዪዳቶ ንዝጸንሐት ፓኪስታናዊ እሱር ፈቲሓ ናብ ሃገሩ ኣፋንያ። ወዲ 75 ዓመት ሰይፉላሕ ፓራቻ ኣብ ኣመሪካ ኣብ 2001 መስከረም 11 መጥቃዕቲ ምስተፈጸመ ድሕሪ ክልተ ዓመት'ዩ ተኣሲሩ። ፓራቻ ንኣልቃይዳ ብገንዘብ ትሕግዝ ኢኻ ብዝብል ጥርጣረ'ኳ ኣብ ቀይዲ እንተኣተወ፡ ክሳብ መወዳእታ ክሲ ከይቀረበሉ'ዩ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ጸኒሑ። ንሱ ግን ክሳዕ መወዳእታ ‘ንጹህ’የ’ እንዳበለ ጸኒሑ። እቲ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ስዒቡ ኣሜሪካ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ጥርጡራት፡ ኩባ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ ዳጕናቶም ነይራ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፓኪስታን ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ “ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጓንታናሞ በይ ተኣሲሩ ዝነበረ ፓኪስታናዊ ሰይፍላሕ ፓራቻ ተፈቲሑ ትማሊ ቀዳም ዕለት 29 ጥቅምቲ ናብ ፓኪስታን ኣትዩ” ኢሉ። እቲ ሚኒስትሪ ኣብ መግለጺኡ “ኣብ ወጻኢ ተኣሲሩ ዝነበረ ዜጋና ተፈቲሑ ኣብ መወዳእታ ምስ ስድርኡ ብምርኻቡ ሕጉሳት ኢና” ክብል ገሊጹ። ጠበቓ ናይቲ ዝተፈትሐ ፓኪስታናዊ፡ ክሊቭ ስታፎርድ ስሚዝ ዓሚሉ ንኽፍታሕ ስለምንታይ ክንድዚ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ክኢሉ ዝብል ሕቶ ኣቕሪቡ። እቲ ጠበቓ ኣስዒቡ “ክፍታሕ ከምዘለዎ ካብ ዝውሰን ልዕሊ ሓደ ዓመት ኮይኑዎ’ሎ፣ ሽዑ ተስፋ ቆሪጹ ደርፊ ይደርፈለይ ነይሩ። ትሕዝቶ ግጥሚ እቲ ደርፊ ድማ ክትኣትዎ እትኽእል ክትወጽኦ ግና ዘይከኣል ዝብል’ዩ ነይሩ” ክብል ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ገሊጹ። ፓራቻ ኣብ 2003 ኣቆጻጽራ ኤውሮጳውያን ብቤትጽሕፈት ምርመራ ኣሜሪካ [ኤፍቢኣይ] ክትትል ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ታይላንድ'ዩ ኣብ ቁጽጽር ኣትዩ። ኣብ ኣሜሪካ ትምህርቱ ዝተኸታተለ ሰይፉላሕ ፓራቻ፡ ብሰብ ስልጣን ኣሜሪካ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣልቃይዳ ኦሳማ ቢን ላደንን ካልድ ሸክ መሓመድን ርክባት ከምዝነበሮ’ዩ ተኸሲሱ ነይሩ። ፓራቻ ፓኪስታን ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ኣመሪካ ባግራም ን14 ኣዋርሕ ምስተኣሰረ ናብ ጓንታናሞ ተዛዊሩ። ሚስጢራዊ ቤት ማእሰርቲ ጓንታናሞ ቤይ፡ ኣሜሪካ ኣብቲ ኣንጻር ግብረ ራዕዲ እተካይዶ ዝነበረት ኵናት ዝተትሓዙ ዘይሕጋውያን ዕጡቋት ትዳጉነሉ ቦታ’ዩ። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ክሲ ዘይቀረበሎም ቅዩዳት ክፍትሑን ጉዳይ ናይቶም ምስ ኣልቃይዳ ቀጥታዊ ርክብ ዝነበሮም ድማ ብቕልጡፍ ክርአን ጸቕጢ ይግበረሉ’ሎ። ንዋና ቀላሲ መጥቃዕቲ 9\/11 ከምዝኾነ ዝዝረበሉ ካልድ መሓመድ ሓዊስካ 35 ሰባት ኣብ ጓንታናሞ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ይግለጽ።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cpv1277qlkeo"} {"headline":"ሪፓብሊካን ባይቶ 'ቀዳምነት' ንምርመራ ስድራ ቤት ባይደን ክብሉ ይሕነዩ ኣለዉ","content":"ሪፓብሊካን ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ሓይሊ ሚዛን ምስ ረኸቡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ፡ ብ \"ቀዳምነት\" ንስድራቤት ፕረዚደንት ጆ ባይደን ክምርምሩ ምዃኖም ገሊጾም። እቶም ኣባላት ባይቶ፡ እቲ መርመራ ኣብቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝካየድ ንግዳዊ ርክባት ወዲ እቲ ፕረዚደንት ሃንተር ባይደን ዘተኮረ ምዃኑ ገሊጾም። እቲ ወዲ 52 ዓመት መንእሰይ ድሮ ኣብ ትሕቲ ፌደራል መርመራ ይርከብ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ብዝኾነ ክሲ ኣይተኸሰሰን። ሃንተር ባይደን ብዝኾነ ይኹን ብርኪ ምስቲ ምምሕዳር ኣይተሳተፈን። ላዕለዎት ሪፓብሊካን ግን፡ መርመራኦም ጆ ባይደንኣብ ንግዳዊ ርክባት ወዱ ክሳብ ክንደይ ተሳትፎ ከምዝነበሮ ከምዝውስን ይገልጹ፤ እዚ ድማ ባይደን ምክትል ፕረዚደንት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዘጠቓልል እዩ። ትማሊ ሓሙስ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ስዒቡ ኣብ ዘውጽእዎ ግዝያዊ ጸብጻብ፡ እቲ ፕረዚደንት ንግዳዊ ርክባት ስድርኡ ብዝምልከት ንህዝቢ ኣሜሪካ ሓሲዩ እዩ ክብሉ ተማጒቶም። \"እቲ ፕረዚደንት ስድርኡ ኣብ ምህብታም ዝገብሮ ተሳትፎ፡ ብሓደ ቃል፡ ዝለዓለ ደረጃ ብልሽውና'ዩ\" ይብል እቲ ሓዱሽ ኣቦ መንበር ኮሚተ ተቖጻጻሪ ዝኸውን ባይቶ ጄምስ ኮመር። \"ንጹር ክኸውን እደሊ፡ እዚ መርመራ ጆ ባይደን እዩ፡ ኣብኡ ድማ እዩ ትኹረት ዝቕጽል ኮንግረስ ዝኸውን።\" ሃንተር ባይደን ገበናት ግብሪን ምትላል ምትሕልላፍን ከምዝፈጸመ ክኸስስዎ እንከለዉ፡ ንኽምስክር ብቅልጡፍ ክጽውዕዎ መደብ ከምዘለዎም ግን ኣይገለጹን። ጠበቓ ሃንተር ባይደን ዝኾነ ክሪስቶፈር ክላርክ፡ ሃንተርባይደን ብዛዕባ’ቲ ሪፓብሊካዊ ኣዋጅ ዝኾነ ርእይቶ ከምዘይብሉ ንቢቢሲ ገሊጹ። ሰበስልጣን ሃገራዊ ኮሚተ ዲሞክራትስ፡ ሚስተር ኮመር፡ \"ናይ ሓሶት መርመራታቱ ንፕረዚደንት ባይደን ንምጉዳእ ዝተዳለወ ፖለቲካዊ ልምምድ ምዃኑ ብንጹር ዝገለጸ\" መሐጎሲ ትራምፕ ከምዝኾነ ብምግላጽ መልሲ ሂቦም። ኣብቲ መልሲ፡ እቲ መርመራታት ፖለቲካዊ ድራኸ ዘለዎ ምዃኑ ወሲኾም ገሊጾም። ወሃቢ ቃል ኢያን ሳምስ፡ \"ኣብ ክንዲ ምስ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ንህዝቢ ኣሜሪካ ኣገደስቲ ዝኾኑ ጉዳያት ምስራሕ፡ ሪፓብሊካን ኮንግረስ ቀዳምነት ዝህቦ ፖለቲካዊ ድራኸ ዘለዎም መጥቃዕትታት ኣብ ፕረዚደንት ባይደን ምፍጻም'ዩ\" ኢሉ። ኣብ መስከረም 2020 ብሰኔት ሪፓብሊካን ዝወጸ ጸብጻብ፡ ሃንተር ባይደን ስልጣን ኣቡኡ ተጠቒሙ \"ገንዘብ ከም ዝረኸበ\" እኳ እንተገለጸ፡ እቲ ርኽበታት ግን ኣቡኡ ከምዘይተኣሳሰር ይሕብር። እዚ ሓድሽ ዝተኣወጀ መርመራ ሓደ ካብቶም ብዙሓት ሪፓብሊካን ባይቶ ክመርሕዎም ዝኽእሉ ክኸውን እንከሎ፡ ካልኦት ድማ ምምሕዳር ባይደን ሰራዊት ኣሜሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ዝጽወጻሉ መገዲን ኣገባብ ምሕደራ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ይርከብዎም። እቲ ብ6 ጥሪ 2021 ብደገፍቲ ትራምፕ ኣብ ካፒቶል ሂል ዝተፈጸመ ናዕቢ ዝምርምር ምሩጽ ኮሚቴ፡ እቲ ሓድሽ ኮንግረስ ስልጣን ምስ ሓዘ ክፈርስ እዩ። ደረጃ ዘለዎም ኣባላት ባይቶ ሪፓብሊካን፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ሓድሽ ኮንግረስ ክእከብ ከሎ፡ ነቲ ሕጂ መራሒ ውሑዳት ዝኾኑ ኬቪን ማካርቲ፡ ኣፈኛ ባይቶ ክኸውን ምርጫኦም ገይሮም ሓጽዮምዎ እዮም። እቲ ኣባል ኮንግረስ ካሊፎርንያ እንተድኣ ተመሪጹ፡ ንታ ንነዊሕ እዋን መራሒት ዲሞክራት ዝነበረት ናንሲ ፔሎሲ ክትክኣ እዩ። ናንሲ ፔሎሲ ትማሊ ሓሙስ ካብ መሪሕነታ ክትወርድ ምዃና ኣፍሊጣ እያ። ሚስተር ማካርቲ፡ ዝበዝሐ ድምጺ ሪፓብሊካን ንዩክሬን ዝወሃብ ምወላ ንድሕሪት ክስሕብ ምዃኑ ሓሳብ ኣቕሪቡ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብቲ ባይቶ ግን ጸቢብ ዝበዝሐ ድምጺ ሒዙ ክቃለስ ኣለዎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዲሞክራትስ፡ ስልጣን ላዕለዋይ ባይቶ ኮንግረስ ዝኾነ ሰኔት ክዕቅቡ እዮም። ድሒሩ እቲ ሪፓብሊካን ኦሃዮ፡ \"ስድራቤት ባይደን ዝገብርዎ ንግዳዊ ውዕላት ንሃገራዊ ድሕነት ስግኣት እዮም\" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c515x96e719o"} {"headline":"ኣመሪካ፡ ንልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን ብቕትለት ካሾጊ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ሂባቶ","content":"ኣመሪካ፡ ወራሲ ዓራት ሽዑድ ዓረብ፡ መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ብቕትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ካብ ዝቐረበሉ ክሲ ነጻ ክኸውን ከም ዝወሰነት ገሊጻ። ንመንግስቲ ስዑዲ ብምንቃፍ ዝፍለጥ ዝነበረ ጀማል ካሾጊ፡ ጥቅምቲ 2018 ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዝርከብ ቆንስላ ስዑድ ዓረብ ተቐቲሉ። ልኡል መሓመድ ነቲ ቅትለት ከም ዝኣዘዘ ሰብመዚ ድሕነት ኣመሪካ ገሊጾም ነይሮም። ኰይኑ ግና እቲ ልኡል ብምኽንያት እቲ ዝረኸቦ ሓድሽ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ከም ዘለዎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣፍሊጡ። ካብ ቢሮ ፍትሒ ግዝኣት ኮሎምብያ ዝተረኸበ መረዳእታ “መምርሒ መሰል ዘይምኽሳስ ምስ ልሙድ ዓለምለኻዊ ሕጊ ብዝሰማማዕ መንገዲ ዝተዳለወ እዩ” ኢሉ ኣሎ። ኣብ ወርሒ መስከረም ቀዳማይ ሚኒስትር ኰይኑ ዝተመረጸ ልኡል መሓመድ፡ ኣብ ቅትለት ጋዜጠኛ ካሾጊ ኢድ ከም ዘይብሉ እዩ ዝገልጽ። ብወሃቢ ቃል ኣማኻሪ ድሕነት ጉዳያት ጸጥታ ዋይት ሃውስ ዝወጸ መግለጺ፡ እቲ ውሳነ ነዊሕ ተቐባልነት ኣብ ዘለዎም ዓለም ለኻዊ ሕግታት ተመስሪቱ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ዝተውሃበ ሕጋዊ ውሳነ ከም ዝዀነ እዩ ዝሕብር። “ምስ ሕጋዊ ኣገዳስነት እቲ ክሲ ዘራኽብ የብሉን” እውን  ኢሉ። በቲ ውሳነ ዝሓዘነት ሕጽይቲ ጀማል ካሾጊ ዝነበረት ሃቲስ ሰንጊዝ፡ በቲ ውሳነ “ጀማል ሎሚ መዓልቲ ደጊሙ ሞይቱ” ክትብል ኣብ ትዊተር ጽሒፋ። እቲ ንዋሽንግተን ፖስት ዝጽሕፍ ዝነበረ ጋዜጠኛ፡ ናብታ ንግስና ንክምለስ ከእምንዎ ብዝተልኣኹ ሰባት፡ “ፋሉል ወፍሪ” ክብሉ ብዝገለጽዎ ኩነታት ከም ዝተቐተለ ሰብመዚ ስዑድ ዓረብ ገሊጾም ነይሮም። ሰብ መዚ ኣመሪካ ግና፡ ትካል ስለላ ኣመሪካ (ሲኣይኤ) “ ካብ ማእከላይ ክሳብ ላዕለዋይ ብዝበጽሕ ደረጃ ምትእምማን”፡ ‘እቲ ልኡል’ ተባሂሉ ዝተጠቐሰ መዓመድ ቢን ሰልማን ተሓባባሪ ከም ዝነበረ ከም ዝደምደመ ገሊጾም። ቅትለት ካሾጊ ዓለም ለኻዊ ውግዘት ኣስዒቡ ዝነበረ ኰይኑ፡ ምስሊ ናይቲ ዘይወግዓዊ መራሒ ስዑድ ዓረብ ዝዀነ ልዑል መሓመድ እውን ደዊንዎ እዩ።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cp6571gr191o"} {"headline":"ምክትል ፕረዚደንት ማላዊ ሳውሎስ ቺሊማ ብብልሽውና ተኸሲሱ","content":"ምክትል ፕረዚደንት ማላዊ ሳውሎስ ቺሊማ ንመንግስታዊ ውዕላት ንምሃብ ገንዘብ ተቐቢሉ ብዝብል ክሲ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ትካል ጸረ ብልሽውና እታ ሃገር ሓቢሩ። ንሱ ካብ ሓደ እንግሊዛዊ ነጋዳይ 280 ሽሕ ዶላርን \"ካልእ ኣቑሑትን\" ብምቕባል ከምዝተኸሰሰ እቲ መግለጺ ይሕብር። ዶክተር ቺሊማ ብዓርቢ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ ክሲ ብልሽውና ገበነኛ ከምዘይኮነ ተኣሚኑ። ድሮ ኣብ ወርሒ ሰነ ንመጀመርያ ግዜ ብከምሽን ጸረ ብልሽውና ኣብ ዝተኸሰሰሉ እዋን ስልጣኑ ተገፊፉ ነይሩ። ንሱን ካልኦት 83 ሰበስልጣን ማላዊን ምስቲ ዙነት ሳታር ዝተባህለ እንግሊዛዊ ነጋዳይ ብልሽው ርክብ ከምዘለዎም ኣለልዩ ነይሩ። ሕጂ ብዋሕስ ወጺኡ ዘሎ ዶክተር ቺሊማ፡ ሽዱሽተ ክስታት ይቐርበሉ ኣሎ፡ ኣብ ማላዊ ስልጣን ዝሓዘ ሰብ ክንድዚ ዝኣክል ክሲ ክቐርበሉ እዚ ንፈለማ እዋን እዩ። ብዓርቢ ንግሆ ብሓለፍቲ ጸጥታ ኣብ ዝተኸበባ ኣብያተ ጽሕፈት ብሰበስልጣን ጸረ ብልሽውና ሕቶታት ቀሪቡሉ። ቅድሚ ሕጂ ሕቶ ክሕተት ዝግበር ዝነበረ ፈተነታት ብደገፍቱ ተበታቲኑ ነይሩ። ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ርእሰ ከተማ ሊሎንግዌ ናብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ደገፍቱ ምስ ፖሊስ ዝተጋጨዉ ከምዝመስል ማዕከን ዜና ሮይተርስ ካብ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ዝወጸ ቪድዮ ከምዘርኣየ ሓቢሩ። ገለ ማላዊያውያን ነቲ ማእሰርቲ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ብልሽውና ከም ከቢድ ስጉምቲ ክወስድዎ እንከለዉ፡ ደገፍቲ ዶክተር ቺሊማ ግን ኣካል ፖለቲካዊ ሃድን ምዃኑ ይዛረቡ። ኣብ ማላዊ ዝተወልደ ሚስተር ሳታር፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ተታሒዙ ብዋሕስ ወጺኡ ኣሎ። ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ማላዊን ፖለቲከኛታትን ዝነበሮ ርክብ ተጠቒሙ ብተንኮል ኣቑሑትን ኣገልግሎታትን ንምቕራብ ውዕላት ብምርካብ ይኽሰስ። እቶም ውዕላት ምስ ዕጥቃዊ ጽዕነት፡ ረሽን መግብን፡ መዳፍዕን ማይን ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ፋይናንሻል ታይምስ ኣብ ወርሒ ግንቦት ጸብጺቡ ነይሩ። ሳታር ኩሉ በደል ከምዝፈጸመ ክሒዱ ኣሎ። ዶክተር ቺሊማ ኣብ 2020 መወዳድርቲ ፕረዚደንት ላዛሩስ ቻክዌራ ኮይኑ እዩ ናብ ስልጣን መጺኡ። ካብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት ዝመጹ ኮይኖም ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፒተር ሙታሪካ ንምስዓር ግን ጥምረት መስሪቶም። እቲ ምክትል ፕረዚደንት ቅድሚ ሕጂ ኣብ መድረኽ ጸረ ብልሽውና ጎስጓስ ኣካይዱ ነይሩ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ መንግስቲ ዝጸንሐ ምትላል ከብቅዕን ኣብ ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ዓለም ድኽነት ከብቅዕን ቃል ኣትዩ ነይሩ። \"ብልሽውና ንሓንቲ ሃገርን ህዝባን ከምዘይትጽገን ገይሩ ናይ ምብታኽ ሓይሊ ኣለዎ። ብልሽውና ሓደ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ሕጋውነቱ ከም ዝስእን ናይ ምግባር ሓይሊ ኣለዎ\" ክብል እቲ ምክትል ፕረዚደንት ኣብ 2021 ኣብ ቢሮ ጸረ ብልሽውና ኣብ ዘውጽኦ ዜና ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ማላዊ ኣብ መዐቀኒ ኣረኣእያ ብልሽውና 'ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል' ካብ 180 ሃገራት መበል 110 ደረጃ ሒዛ ነይራ።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3gddx3x917o"} {"headline":"ሰባት ስለምንታይ ህይወት ንዘድሕኑ ሕግታት ይቃወሙ?","content":"ናይ ድሕነት መቐነት ወይ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባር ህይወት ንምድሓን ክሕግዝ ይኽእል እዩ፣ ግና ስለምንታይ እዮም ገለ ሰባት ክሳብ ሕጂ ከተግብርዎ ዘይደልዩን ነዚ ዝጠልብ ሕጊ ዝቃወሙን? “በቃ ጸሊአዮም” ትብል ሓንቲ ስለምንታይ ከምዘይትለብስ ዝተሓተተት ሰበይቲ። “ግድን ክትገብሮም ስለዘለካ ዝጸላእኽዎም ይመስለኒ፡ ዝያዳ ‘ክትገብር ይግባእ’ ስለዝበሃል’ዩ ይመስለኒ፡ ስለዚ ኣይደልን።” “ወዲ ተባዕታይ ኩን ጓል ኣንስተይቲ፡ ናይ ዓብላልነት ነገር’ዩ ዝመስለኒ” ይብል እቲ ኣብ ጥቓኣ ዝነበረ ሰብኣይ። “ወሳኒ ኣነ እየ፡ እንታይ ክገብር ከም ዘለኒ ኣይትነግረንን።” ኣብ’ቲ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባር ካብ ካብ ዝተቓወሙ ሰልፈኛታት ትጽበዮ ዓይነት ምኽንያታት’ዩ። እቲ ተቓውሞኦም ብዛዕባ ምቾት ጥራይ ኣይኮነን፣ ወይ’ውን ህይወት ከድሕን ምኽኣሉ ብምጥርጣር’ውን ኣይኮነን። ብሰበስልጣን እንታይ ክትገብር ከምዘለካ ክንገረካ ዘይምድላይ ወይ ምጽላእ’ዩ። እቶም ኣብ ላዕሊ መልሲ ዝሃቡ ሰባት ግን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝተቓወሙ ኣይነበሩን። የግዳስ መቐነት ምግባር ዝኣበዩ፡ ብሪጣንያውያን መራሕቲ መካይን እዮም። ኣብ ብሪጣንያ ካብ 1983 ጀሚሩ ኣብ ቅድሚት ኮፍ መበሊ ተሽከርከርቲ፡ ካብ 1991 ጀሚሩ ድማ ኣብ ናይ ድሕሪት ኮፍ መበሊ'ውን ከይተረፈ መቐነት ክትገብር ብሕጊ ትሕተት። እቶም ቃለ መሕትት ዝተገብረሎም ሰባት ግና፡ መቐነት ከምዘይገብሩ ገሊጾም። ኣብ መንጎ ተቓውሞታት ናይ ገጽ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ናይ ድሕነት መቐነትን ዝግበር ምውድዳር ህቡብ እዩ። ምትእትታው ሕግታት መቐነት ድሕነት ግን ካብቲ ናይ ገጽ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባር ዝብል ረቛሒ ዝያዳ ዝተሓላለኸ እዩ ነይሩ። ሕንፍሽፍሽ ዝመልኦ፡ ፋሕብትን ዝበለ፡ ዘፍርሕን ድንጉይን ነይሩ። ካብ ምትእትታው ሕግታት መቐነት ድሕነትን ካልእ ምትእትታዋት ህዝባዊ ጥዕናን ግን ብዙሕ ክንመሃሮ እንኽእል ነገር ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ምጽዳቕ ሕግታት ፍልልያት ዘሎ ዝመስል ስለምንታይ እዩ? ገለ ሰባት ብርግጽ ህይወት ዘድሕን ስጉምቲ ጥዕና ክቃወሙ ስለምንታይ ድሉዋት ይኾኑ? መቐነት ድሕነት፡ ህይወት ከም ዘድሕን ዘይከሓድ መርትዖ እኳ እንተሃለወ፡ እቲ ምትእትታዉ ግን ንጹር ኣይነበረን። ኣፍረይቲ መካይን፡ ኩባንያታት መድሕን፡ ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ፖለቲከኛታትን መራሕቲ መካይንን ኩሎም ኣብ ሕግታት መቐነት ድሕነት ፍሉይ ረብሓ ነይርዎም። ንኣፍረይቲ መካይን፡ እቲ ጉዳይ ወጻኢታት እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን’ቲ ቀበቶ ድሕነት ካብቲ ጎስጓስ ዝገበረሉ ዝነበረ ቴክኖሎጂ መድሕን ሳንጣ ኣየር ኣዝዩ ዝሓሰረ ብምዃኑ ግዴታ ክኸውን ተስፋ ነይርዎም። “[መቐነት ድሕነት ግዴታ እንተ ዀይኑ] ደገፍቲ ናይቲ፡ ኣብ እዋን ምግጫው ዝንፋሕ ናይ ኣየር ሳንጣ፡ እቲ መሳርሒ ብዙሓት ተጠቀምቲ ከይስእን ይሰግኡ” ክብል ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ 28 ለካቲት 1985 ጽሒፉ ነይሩ። ኣብ መፋርቕ 80ታት ሓደ ናይ ኣየር ሳንጣ ክሳብ 800 ዶላር ይሽየጥ ነይሩ፤ ሓንቲ መቐነት ግን ብሒደት ዶላር ትግዛእ። እቲ ሕጊ ኩለን መካይን ናይ ኣየር ሳንጣ ክግበረለን እንተዝጠልብ ነይሩ፡ ዋጋ ሓደስቲ መካይን ኣብ ዕዳጋ ንእሽቶ ቅልውላው ምፈጠረ ነይሩ። መራሕቲ መካይን ዝያዳ ኣብ ምቾት እዮም ዝግደሱ ነይሮም። ሓደ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ 86 ሚእታዊ ኣሜሪካውያን መቐነት ድሕነት ህይወት፡ ከም ዘድሕን ክግንዘቡ እንከለዉ፡ ካብኣቶም 41 ሚእታዊ ጥራይ እዮም ብጭቡጥ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ። ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝተገብሩ ካልኦት መጽናዕትታት እቲ ቁጽሪ ካብዚ ዝወሓደ ምዃኑ ይሕብሩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ክሳብ 65 ሚእታዊ ኣሜሪካውያን ንምቾት ክብሉ መቐነት ድሕነት ግዴታ ምግባር ተቓዊሞም ነይሮም። ኩባንያታት መድሕን ካብ መቐነት ድሕነት ናይ ኣየር ሳንጣ ይመርጹ ነይሮም። ረብሓ ናይ ኣየር ሳንጣ ህይወት ንምድሓን ድሉው’ዩ። ሓንቲ መኪና፡ ሳንጣ ኣየር እንተተገጢሙላ፡ እቲ መራሒ መኪና ንምጥቃም ወይ ንዘይምጥቃም ኣማራጺ ኣይህልዎን፤ ብሰንኪ ሓደጋ ዝመጽእ መጉዳእትን ሞትን ስለዝንክይ ድማ ኩባንያታት መድሕን ክኸፍልዎ ዝግባእ ካሕሳ ይንክይ ኣሎ ማለት እዩ። ፖሊስ ነቲ ሕጊ ንምትግባር መራሕቲ መካይን ደው ከብሉ ምግዳድ ተቓዊሞም ነይሮም። ሳንጣ ኣየር እንተዝኾን ግን ኣሰርተ ግዜ መካይን ደው ንክብላ ካብ ምግዳድ ይገላገሉ። ስለዚ ኣብ መንጎ ደገፍቲ መቐነት ድሕነትን ደገፍቲ ሳንጣ ኣየርን ብዙሕ ክትእ ነይሩ። እቲ ክትዕ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ኣየናይ እዩ ዝያዳ ህይወት ዘድሕን ዝብል ኣይነበረን። ሕግታት መቐነት ድሕነት ግን ምሉእ ብምሉእ ንምትእትታው ዓመታት ወሲዱ እዩ። ኣብ ካልኦት ምትእትታዋት ህዝባዊ ጥዕና እውን ተመሳሳሊ ምድንጋር ነይሩ እዩ። ንኣብነት ኣብ ምትእትታው ሕግታት ሄልመት (ዘወርቲ ሞተር ብሽክለታ ዝገብርዎ ቆብዕ) ብዙሕ ምድንጋር ተራእዩ ነይሩ። ኣብታ ኣብ 1985 ሓድሽ ሕግታት መቐነት ድሕነት ዘተኣታተወት ግዝኣት ኢሊኖይ፡ ኣብ መጀመርታ መቐነት ዘይምግባር ከም ንእሽቶ ገበን ተቖጺሩ፡ ክሳብ 25 ዶላር የቕጽዕ ኔሩ። ኣባላት ፖሊስ፡ ነቲ መራሒ መኪና ደው ዘብሉ ካልእ ገበናት ምስ ዝህሉ ኮይኑ፡ መቐነት ከይገበረ ምስ ዝጸንሕ ከምዝቐጽዑ ብግልጺ ኣፍሊጦም። ደረጃ ተቓውሞን ብዝሒ ሕጋዊ ብድሆታትን ግድን ምስቲ ሓድሽ ሕጊ ወይ ደንቢ ምጽዳቕ ዝተኣሳሰር ከምዘይነበረ ንጹር እዩ። እቲ ምኽንያት ካልእ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ዩጎዝላቭያ፡ መራሕቲ መካይንን ተጓዓዝትን መቐነቶም ኣብ ቦትኡ ከምዝገጥም ከይገበሩ፡ ኣብ ልዕሊ መንኵቦም ይገብርዎ ከምዝነበሩ መጽናዕቲታት የመልክቱ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ መቕጻዕቲ ከምልጡ ዘኽእሎም እኳ እንተነበረ፡ ነቲ መቐነት ግን ነቲ ዝተሓሰበሉ ዕላማ ኣይተጠቐሙሉን ማለት እዩ። መራሕቲ መካይን መቐነት ብግቡእ ንምግባር ዕላማ እንተዘይሃልይዎም ንምንታይ ናብ ቤት ፍርዲ ምኻድ ኣድልዩ? ኣብ ቤት ፍርዲ ኣንጻር መቕጻዕቲ ምክታዕ ካብቲ ልኡም ክፍሊት ምኽፋል ኣዝዩ ይኸብር። ብዝኾነ ድማ ውሑዳት ሰባት እዮም ተቐጺዖም። እቲ መጠን ተቓውሞ ቁም ነገር የብሉን፡ ምናልባት ሰባት ክሳብ ክንደይ ስልጣንን ሕጋዊ መስርሕን ከምዘኽብሩ ብዘለዎም ተኽእሎ ዝጽሎ እዩ። እቲ ዝያዳ ዘገድስ፡ ሰባት ነቲ መምርሒ ይኽተልዎ ድዮም ኣይክተልዎን፡ ክሳብ ክንደይከ ብውጽኢታዊ መገዲ ይኽተልዎ ዝብል እዩ። ልክዕ ከምቲ ኣብ መቐነት ድሕነት ዘጋጠመ፡ እቶም ምትእትታዋት ለውጢ ከምጽኡን ምስ ግዜ ተቐባልነቶም እናወሰኸ ከም ዝኸይድን መርትዖታት የርእዩ። ምትእትታዋት ህዝባዊ ጥዕና፡ ውጽኢታዊ ክሳብ ዝኸውን ግዜ ይደሊ እዩ። እቲ መልእኽትን ንሕግታት ኽትግበር ዝፈቅድ ሕጋዊ ቅርጺን ግን ቅኑዕ ክኸውን ኣለዎ። ሰባት ግዜ ወሲዶም ቀስ ኢሎም ክሰማምዑ እዮም።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cy6q161w7wdo"} {"headline":"ትራምፕ፡ ‘ናዕቢ ካፒቶል’ ብዝምልከት ቃሉ ክህብ ተኣዚዙ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ካፒቶል ዝተፈጸመ ናዕቢ ዝምርምር ፓነል ኮንግረስ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ንኣባላት ባይቶ ቃሉ ክህብ ዘገድድ ሕጋዊ ጻውዒት ኣውጺኡ። እቲ ንዕኡ ዝበጽሖ ሰነድ፡ \"ኣብ ማእከል፡ ናይቲ ዝኾነ ፕረዚደንት ኣመሪካ ገይርዎ ዘይፈልጥ፡ ንመረጻ ንምግልባጥ ዝተፈተነ ናይ መጀመርታን እንኮን ጻዕሪ ንስኻ ኢኻ ነይርካ\" ይብል። ከምኡ ድማ፡ \"እዚ ንጥፈት ዘይሕጋውን ዘይሕገ-መንግስታውን ምዃኑ ፈሊጥካ ኔርካ\" ዝብል ይርከቦ። ጠበቓ ሚስተር ትራምፕ ብወገኑ፡ እቶም ኣብቲ ኮሚተ ዝነበሩ ኣባላት ባይቶ \"ስርዓታት ይጥሕሱ ኣለዉ\" ክብል ከሲስዎም። እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ነቲ መርመራ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ቀዲሙ ዝካየድ መፋርቕ [ሚድተርም] መረጻ ኣመሪካ ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን፡ መረጽቲ ካብቲ ምሕደራ ዲሞክራት ንምስሓብ ዝተዳለወ ተንኮል እዩ ክብል ወቒሱ። ሚስተር ትራምፕ ነቲ ጻውዒት እንተዘይተኸቲሉ ገበናዊ ክሲ ክቐርበሉ ይኽእል እዩ። ኮሚተ መርማሪ  ናዕቢ 6 ጥሪ፡ ሰነዳት ንምቕራብ ክሳብ 4 ሕዳር ግዜ ኣለዎ፣ ቃሉ ክህብ ድማ ኣብ 14 ሕዳር ወይ ከባቢኡ ክቐርብ ኣለዎ። ትራምፕ ንኮንግረስ ምስክርነት ምሃብ ወይ ነቲ ዝተሓተተ ጽሑፍ ምላሽ ምሃብ እንተኣቢዩ፡ እቲ ኮሚተ ነቲ ጉዳይ ናብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ከሰጋግሮ ይኽእል'ዩ - እዚ ድማ ገበናዊ መስርሕ ከስዕብ ይኽእል'ዩ። እቲ ጻውዒት ዝቐረበ፡ ስትራተጂስት ትራምፕ ነበር ስቲቭ ባኖን 6500 ዶላር ተቐጺዑ፡ ኣብ ልዕሊ ኮንግረስ ንዕቐት ኣርኢኻ ተባሂሉ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ክእሰር ድሕሪ ምፍራዱ፡ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት እዩ። ንሱ፡ ነቲ ኮሚቴ ምስክርነት ይኹን ሰነድ ምላሽ ምሃብ ምስ ኣበየ እዩ ተፈሪድዎ። ካልእ ሓጋዚ ትራምፕ ፒተር ናቫሮ፡ ብተመሳሳሊ ምትሕብባር ድሕሪ ምእባዩ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ንኮንግረስ ንዕቐት ብምርኣይ ገበን፡ ኣብ ፍርዲ ክቐርብ እዩ። እቲ ሽውም ኮሚተ፡ ደገፍቲ ትራምፕ ብ6 ጥሪ 2021 ኣብ ህንጻ ካፒቶል ኣመሪካ ብዕስለ ዝፈጸምዎ ዓመጽ ይምርምር ኣሎ። እቲ 7 ዲሞክራትን ክልተ ሪፓብሊካንን ዝሓቖፈ ፓነል፡ እቲ ሪፓብሊካን ኣብቲ ናዕቢ ዘለዎ ተራ ክምስክር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሙሉእ ድምጺ ወሲኖም። ኣባላት ባይቶ ሚስተር ትራምፕ ንደገፍቱ ንውጽኢት ፕረዚደንታዊ መረጻ 2020 ክነጽጉ ብምግባሩ፡ ጆ ባይደን ተዓዋቲ ምዃኑ መረጋገጺ ንኸይረክብ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኣብ ኣዳራሻት ኮንግረስ ከዐንቅፉ ከምዝገበሮም ይዛረቡ። ኣደ መንበር ቤኒ ቶምፕሰንን ምክትል ኣደ መንበር ሊዝ ቸኒን ኣብቲ ዝወጽአ ደብዳበ፡ እቲ ኮሚተ \"ካብ ዓሰርተታት ናይ ቀደም ሹመኛታትካን ሰራሕተኛታትካን ሓዊሱ፡ ንስኻ ብውልቅኻ ነቲ ብዙሕ ክፋላት ዘለዎ ጻዕሪ ምግልባጥ መረጻ ከምዘዳለኻዮን ከም ዝተቆጻጸርካዮን፡ ልዕሊ ዓቕሚ መርትዖታት ኣኪቡ ኣሎ\" ይብል። ሕጋዊ ጉጅለ ጠበቓ ሚስተር ትራምፕ፡ ነቲ ጻውዒት ነጺግዎ። \"ሕጂ'ውን፡ንሕግታትን ግቡእን ልምዳውን መስርሕ ብምጥሓስ፡ እቲ ሽማግለ ቅዳሕ  እቲ ጻውዒት ከምዝዘርግሐ ኢና ንርዳእ\" ይብል ጠበቓ ዴቪድ ዋሪንግተን። \"ከምቲ ኣብ ዝኾነ ተመሳሳሊ ጉዳይ ዝግበር፡ ክንገምግሞን ክንትንትኖን ኢና፡ ነዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ስጉምቲ ድማ ከም ኣድላይነቱ መልሲ ክንህብ ኢና።\" ሪፓብሊካን፡ ከምቲ ብሰፊሑ ትጽቢት ዝግበረሉ፡ ድሕሪ ናይ ሕዳር መፋርቕ ምርጫ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዳግማይ እንተተቖጻጺሮምዎ፡ ስራሕ ናይቲ ናይ 6 ጥሪ ኮሚተ ክብቅዕን እቲ ፓነል ክፈርስን እዩ።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c6pgnyqjmjpo"} {"headline":"ስነስርዓት ቀብሪ ናይታ ብፖሊስ ዝተቐትለት ኣባል ቤት ምኽሪ ክልል ሶማል ተፈጺሙ","content":"ብሓደ ኣባል ፌደራል ፖሊስ ብጥይት ዝተቐትለ ኣባል ቤት ምኽሪ ክልል ሶማል ሎሚ 16 ጥቅምቲ 2015 ሰዓት ትሽዓተ ስርዓተ ቐብራ ተፈጺሙ። ጁዋርያ መሓመድ ኢብራሂም ትማሊ 15 ጥቅምቲ 2015 (ግእዝ) እያ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጅግጅጋ ተቐቲላ። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ክልልን ዓበይቲ ዓዲን ከምኡ እውን ብርክት ዝበሉ ሰባትን ተረኺቦም ነይሮም። ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣንጻር ቅትለት እታ ኣባል ባይቶ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝተኻየደ ሪፖርተር ቢቢሲ ቋንቋ ሶማል ሓቢሩ። ኣማኢት ነበርቲ ኣብ ጥቓ ገዝኣ ተቓውሞኦም ዘስምዑ እንትኾኑ፡ እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ልዕሊ እቲ ብቕትለታ ተሓታቲ ዝኾነ ሰብ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክውሰድ ሓቲቶም። ገለ ሰልፈኛታት እምኒ ብምድርባይ ተቓውሞኦም ዝገለጹ ክህልዉ ከለዉ ምስ ፖሊስ ናብ ባእሲ ዝኣተዉ’ውን ነይሮም። ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ብምትኳስ ነቲ ሰልፊ ከምዝበተነን ዝተጎድአ ሰብ ከምዘየለን እቲ ሪፖርተር ሓቢሩ። ፕረዚደንት እቲ ክልል ኣቶ ሙስጠፌ ዑመር ብሞት እታ ኣባል ቤት ምኽሪ ዝተሰምዖ ሓዘን ንስድራኣን ብሓፈሻ ንህዝቢ እቲ ክልልን ገሊፆም። ንሱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ \"እቲ ቀታሊ ክሳብ ሞት” ከምዝቕጻዕ ብምግላጽ ህዝቢ ክሃድእ ሓቲቱ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ዋላ እኳ ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ሰላም እንተሃለወ፡ ወጥሪ ከምዘሎን ነበርቲ በቲ ቅትለት ኣዝዮም ተቖጢዖም ከምዝርከቡን ይግለጽ። ኣብዚ ናይ ትማሊ ናዕቢ ገለ መናእሰይ ደለይቲ ፍትሒ ከምዝተኣሰሩን ካብዚኦም ሓደ ምክትል ቢሮ ስፖርት መናእሰይ ነበር ኢብራሂም ዓብደልቃድር ከምዝርከብን እቲ ሪፖርተር ቢቢሲ ሶማል ይሕብር። ኦሳም ሱሉፕ ዝተበሃለ ኣባል ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ'ውን ንዝተወሰነ እዋን ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ከምዝተፈትሐ ወሲኹ ይገልጽ። እቲ ኣባል ፖሊስ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣባላት ፖሊስ ፌደራል’ውን ዝተኮሰ ክኸውን ከሎ ብፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማልን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ተታሒዙ፡ ሎሚ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ’ሎ። ኣብ ልዕሊ ጁዋርያ ኢብራሂም ጥይት ከምዝተኮሰ ምእማኑ እውን እቲ ሪፖርተር ገሊጹ። ጁዋርያ ኢብራሂም ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጅግጅጋ ንሓፍታ ተቐቢላ ፎቶ ክሳኣላ ከለዋ \"ንዓይ'ውን ኣብቲ ስእሊ ኣእቲኽኒ\" ብዝብል ዘይምርድዳእ ከም ዝተላዕለ ምስምዑ ሓቢሩ። ብተወሳኺ፡ እቲ ፖሊስ ምስ ሓላፊ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ተባኢሱ ኣብ ሕርቃን ከምዝነበረ እቲ ሪፖርተር ቢቢሲ ሶማል ይሕብር። ድሕሪ’ቲ ምስሕሓብ ጥይት ከምዝተኮሰ ዝገልጸ እቲ ሪፖርተር፡ ካብ ጁዋርያ ብተወሳኺ ንሓፍቱ ክቕበል ዝመጸ ካልእ ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ’ውን ከም ዝቖሰለ ጠቒሱ። ሓፍቲ ጁዋርያ እውን ቆሲላ ከምዘላ ተገሊጹ።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c51pqydd24lo"} {"headline":"ፖለቲከኛ ክብሮም በርሀ ብዛዕባ ማእሰርቱ እንታይ ይብል?","content":"ኣቶ ክብሮም በርሀ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ሰልፊ ባይቶና ዓባይ ትግራይ፡ ዝሓለፈ ሓምለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ 3 ጥቅምቲ 2022 ከም ዝተፈትሐ ዝፍለጥ እዩ። ብዛዕባ'ዚ ኣቶ ክብሮም፡ ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ብሓይልታት ጸጥታ ፈደራል ኣብ ማእሰርቲ ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ፡ መንግስቲ፡ ምስኡ ኣብ ሓደ መዝገብ ንዝነበሩ ኣርባዕተ ሰባት፡ ንጕጅለ ሽበራ ህወሓት ብፋይናንስ ብምሕጋዝን ንመናእሰይ ትግራይ ዘለዓዕል መጽሓፍቲ ምጽሓፍን ዝብል ክሲ ከም ዘቕረበሎም ገሊጹ። ህወሓት፡ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ መዝገብ ሽበራ ካብ ዝኣተዉ ሓይልታት ፖለቲካ ምዃኑ ይፍለጥ። እቲ ፖለቲከኛ፡ ኣብ ቀይዲ ቅድሚ ምእታው “ምጽኣት” ብዝብል ኣርእስቲ ምስ ኲናት ትግራይን ፖለቲካ እታ ሃገርን ምትእስሳር ዘለዎ መጽሓፍ ከም ዘሕተመ ይፍለጥ። “መጀመርታ ንበዓልቲ ገዛይ እዮም ሒዞምዋ፤ ደሓር ንዓይ ምስ ደወሉለይ ከይደ። ንዓይ ናብ መኪና ኣእትዮም ድማ ንዓኣ ሰዲዶምዋ፤ ስለዚ ዓፈና እዩ ነይሩ፡” ኢሉ። እቶም ሽዑ ዝሓዝዎ ሰባት ሲቪል ዝተኸደኑ መንነቶም ዘይፍለጥ ውልቀሰባት ከም ዝዀኑ ተዛሪቡ። ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገርን ዝነብሩ ተጋሩ ግዳያት ማእሰርቲ ከም ዝዀኑን ትካላቶም ከም ዝተዓጽወን ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ። ክብሮም፡ ብሰንኪ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ንዝወርድ ዘሎ ዕንወት ንመንግስቲ ፈደራል ከምኡ’ውን መራሕቲ ህወሓት ኣትሪሮም ካብ ዝነቕፉ መራሕቲ ሰልፊታት እዩ። ንሱ፡ መጀመርታ ምስ ንእሽቶ ሓውን ካልኦት ከባቢ 40 ዝዀኑ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከባኦም ተጋሩን ከም ዝተኣስረ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ነተን ደቂኣንስትዮ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፈትሕወን እንከለዉ፡ ነቶም ደቂተባዕትዮ ግን ኣብ ክልል ዓፋር ናብ ዝርከብ “ኣዋሽ ሰባት” ዝተባህለ መዓስከር ወተሃደራት ከም ዝወሰድዎም ይገልፅ። “ቤት ፍርዲ ብዋሕስ ይውጽኡ ኢሉ ምስ ኣዘዘ፡ ብለይቲ ናብ ዓፋር ወሲዶምና። ብጣዕሚ ከቢድ ጸገም ነይርዎ፤ ኣዋሽ ሰባት ኣብ ዝበሃል ወተሃደራዊ መዓስከር ኣብ ጸቢብ ገዛ ክሳብ 100 ዝኸውን ሰብ ተዓጺና ጸኒሕና” ኢሉ። ፖሊስ፡ ክብሮም ንዝርከቦም ኣርባዕተ መጽሓፍ ‘ምጽኣት’ ሒዞም ዝተረኸቡ ሰባት ንህወሓት ብፋይናንስ ብምድጋፍን መናእሰይን ብምልዕዓልን ክኸሶም እንከሎ፡ ትሕዝቶን ዝተጽሓፈሉ ቋንቋን [ምጽኣት ብትግርኛ’ዩ ተጻሒፉ] እታ መጽሓፍ ካብ ዝተኸሰሰሎም ጉዳያት ሓደ ከም ዝነበረ ሓቢሩ። “ንሕና ተቓወምቲ ምዃንና መንግስቲ ይፈልጥ እዩ፤ እቲ ማእሰርቲ ግን ብሸፈጥ ንዓና ንምውዳቕ ኰነ ተባሂሉ ዝተገብረን ኣካል እቲ ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ጉድኣት ደኣ እምበር፡ ዝውዓልክዎ ኣይኰነን” ብምባል ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ይነጽግ። በዚ ምኽንያት ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብ ክልል ዓፋር ክእሰር እንከሎ፡ እቲ ከባቢ ልዑል ሙቐት ዘለዎ ብምዃኑ ኣጸጋሚ እዋን ከም ዘሕለፈን መግብን ማይን ይሽግሮም ከም ዝነበረን ይጠቅስ። “ህይወትና ኣብ ሓደጋ ዝወደቐሉ’ዩ ነይሩ። ብዙሓት መድሃኒት ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ዝነበሮም መድሃኒት ሽኮር፣ ኲሊት ዝተኸልኡ ኣለው። መርመራ ኸኣ ለይቲ ግፍዓዊ ብዝዀነ መገዲ ይገብርዎ ነይሮም።” እቲ መጽሓፍ እናተተርጐመ ይሕተትን መርመራ ይግበረሉን ከም ዝነበረ ዝገልጽ ክብሮም፡ ብፍሉይ ዝወረዶ ኣካላዊ ሃሰያ’ኳ እንተዘይሃለወ መንፈሳውን ሞራላውን ጉድኣቱ ግን ልዑል ከም ዝነበረ ተዛሪቡ። “ማህሰይቱ ብዙሕ’ዩ፤ ጸርፊ ኣሎ። ካብ ሰብነትና ዝወጽእን እነእትዎ ፈሳስን ስለ ዘይመጣጠን ደም ኢና ንሸይን ነይርና፤ መብዛሕትኡ ናይ ኵሊት ጸገም ኣጋጢሙዎ’ዩ። ካብ እንወጽእ ኣትሒዙ ሕክምና ንከታተል ኢና ዘላ፤ ጥዕና ኣይረኸብናን፡” ኢሉ። ኣብ ክልል ዓፋር፡ ኣስታት 200 ሰባት ኣብ ክልተ ክፍሊ ተኣሲሮም ከም ዝነበሩ ዝገልጽ ክብሮም፡ መግብን ሽቓቕን ከምኡ’ውን ኣብ ሰዓታት ለይቲ ዝግበሩ መርመራታት ፖሊስ ኣዝዮም ከበድቲ’ዮም ነይሮም ብምባል የረድእ። ብተወሳኺ፡ ድሕሪ 36 መዓልታት ናብ ኣዲስ ኣበባ ክምለሱ እንከለው፡ መብዛሕትኦም ተፈቲሖም። ተጋሩን ተወለድቲ ካልኦት ብሄራት ዝርከብዎም 41 ሰባት ዝኽሰሱ ተባሂሎም ተፈልዮም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣባ ሳሙኤል ኣብ ዝበሃል ቀጽሪ ተኣሲሮም ምጽንሖም ይገልጽ። ፖሊስ፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝኸፈቶ ክሲ ተመርኲሱ መርመራ ክገብር ጸኒሑ፤ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብመሰረት ዘሕለፎ ውሳነ፡ ኣቶ ክብሮም ብዋሕስ ክልተ ሽሕ ብር ተፈቲሑ ኣሎ።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c727xrgz99vo"} {"headline":"ኣንጀሊና ጆሊ ምስ ብራድ ፒት ንኽትፋታሕ ክሲ ኣቕሪባ","content":"ከዋኽብቲ ተዋሳእቲ ሆሊዉድ፡ ኣንጀሊና ጆሊን ብራድ ፒትን ብወግዒ ንኽፋትሑ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ኣለው። ኣንጀሊና ጆሊ፡ በዓል ቤታ ነበር ብራድ ፒት፡ ኣብ በረራ ብናይ ብሕቲ ነፋሪት እንከለዉ፡ ብስኽራን ተሰኒፉ ኣብ ልዕሊኣን ደቈምን መጥቃዕቲ ብምፍጻሙ፡ ብወግዒ ንፍትሕ ክትሓትት ከምዝደረኻ ዝገልጽ ወረቐት ክሲ፡ ትማሊ ሰሉስ 4 ጥቅምቲ 2022 ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪባ። ኣንጀሊና ኣብ ዘቕረበቶ ክሲ፡ እዞም ክልተ ከዋኽብቲ ኣብቲ ኣብ 2016 ዘካይድዎ ዝነበሩ ጕዕዞ፡ ብራድ ፒት ንዓኣ ብርእሳ ሒዙ ምንዝናዙን፡ ንኽልተ ደቈም ምጥቅዑን፡ ብዛዕባ እቲ ብሓባር ኣብ ፈረንሳ ዘጥረይዎ ፋብሪካ ነቢትን ተዘርዚሩ’ሎ። ብራድ፡ ካብ ፈረንሳ ናብ ሎስ-ኣንጀለስ ኣብ ዝነበረ በረራኦም፡ ኣብ ልዕሊ ስድራኡ ኣልኮላዊ መስተ ከምዘፍሰሰን ከም ዝተጻረፈን እውን ትዛረብ። ኣብቲ ዝቐረበ ክሲ፡ እቲ ተዋሳኣይ፡ ኣብታ ነፋሪት እንከለው ኣብ ልዕሊኣን ኣብ ልዕሊ እቶም ሽዱሽተ ደቆምን - ኣብቲ እዋን ካብ 8 ክሳብ 15 ዓመት ዝዕድመኦም - ኣካላውን ስምዒታውን ዓመጽ ከምዝፈጸመ የመልክት። ብራድ ፒት ግን ነዚ ክሲ ይነጽጐ። ምስዚ ተዋሳኣይ ቅርበት ዘለዎ ምንጪ፡ እዚ ዘረባ ጆሊ ሓሶት'ዩ ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ። \"ነዚ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ዘጋጠመ ፍጻመ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እትደልዮ ክትረክብ ኣብ ዘይትኽእለሉ እዋን፡ ነቲ ዛንታ እናቐየረት እናመሓየሸት ፍጹም ዘይሓቂ ሓበሬታ ብምውሳኽ ትቕጽል ኣላ. . . ዛንታኣ ብቐጻሊ እዩ ዝቀያየር\" ይብል እቲ ምንጪ። ኣንጀሊና ጆሊ፡ ኣብቲ ብ14 መስከረም 2016 ዘካየድዎ በረራ ዝተርኣየ ምዃኑ ዝገለጸቶ ባህርያት ብራድ ኣመልኪታ ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪባቶ ኣብ ዘላ ክሲ፡ እቶም ተዓወትቲ ሽልማት ኦስካር ዝዀኑ መጻምድቲ ብወግዒ ንኽፋትሑ ሓቲታ'ላ። ኣብቲ ብሰሉስ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ብኣማኸርቲ ሕጊ ኣንጀሊና ዝቐረበ ክሲ፡ ሓድሽ ዝርዝራት'ውን ኣቕሪቡ’ሎ። እዞም ናይ ቀደም መጻምድቲ ብሓባር ዘጥረይዎ ኣብ ደቡብ ፈረንሳ ዝርከብ ገዛን ሕርሻ ወይንን ትካል ነቢት ‘ሻቶ ሚራቫል’ ዘጠቓልል እዩ። ብራድ፡ ንሱን በዓልቲ ቤቱ ነበርን ኣብቲ ብሓባር ዘጥረይዎ ንብረት፡ ሓደ ብዘይ ፍቓድ እቲ ካልእ፡ ብጽሒቱ ከይሸይጥ ተሰማሚዖም ከምዝነበሩ ይምጕት። ጆሊ ብዛዕባ’ዚ፡ ፒት ብጽሒታ ባዕሉ ንኽዕድጐ ጀሚሮምዎ ዝነበሩ ዝርርብ ምቁራጹ ትወቅስ። ርስቲ ሚራቫል ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ፈረንሳ ኣብ እትርከብ ቁሸት ኮረንስ ዝርከብ ኰይኑ፡ እዞም መጻምድቲ ኣብ 2008 ብኣስታት ብ25 ሚልዮን ዶላር ዝዓደግዎ እዩ። እቶም ከዋኽብቲ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት [2014] ድማ ኣብኡ ተመርዕዮም። ፒት እውን ንኣንጀሊና፡ ነቲ ኣብ ንግዲ ነቢት ዝገበሮ፣ ዘፍሰሶ \"ገንዘብን ዘይክፈሎ ረሃጽን\" ንምድኻምን ንምህሳይን፡ ኣብቲ ርስቲ ዘለዋ ብጽሒት ንሓደ ሃብታም ሩስያዊ ክትሸጦ ብምውሳና ከሲሱዋ እዩ። ጠበቓታታ፡ እቲ ኮኾብ ተዋስኣይ ንጆሊ፡ \"ንቘልዑታ ዝያዳ ከምእትግደስ\" ብምግላጽ እናጨደረ ክወቕሳ ከም ዝጀመረ ይኸሱ። እቲ በረራ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ፒት ኣብ ድሕሪት እታ ነፋሪት ናብ ዝነበረ “ሽቓቕ ስሒብዋ\" ክብል ጠቒሱ’ሎ። እቲ መዝገብ ክሲ ብተወሳኺ፡ \"ፒት ንጆሊ ብርእሳ ሒዙ ነዋኒውዋ፣ ድሕሪኡ ኸኣ መንኩባ ሒዙ ነውኒውዋ፡ ብድሕሪኡ ናብ መንደቕ ሽቓቕ ደፊኡዋ\" ይብል። \"ድሕሪኡ ፒት ንናሕሲ ‘ታ ነፋሪት ብዙሕ ግዜ ብምጕሳጥ ንጆሊ ካብቲ ሽቓቕ ክትወጽእ ደሪኽዋ።\" ሓደ ካብቶም ቈልዑ ብዘረባ ጣልቃ ክኣቱ ምስ ጀመረ፡ ፒት \"ንገዛእ ውላዱ ከም ዝሃረመ\" እቲ ክሲ ኣስፊርዎ’ሎ። ድሕሪኡ ጆሊ \"ደው ንኸተብሎ ብድሕሪት ብሕቈኡ ሒዛቶ\" ይብል ወረቕት ክሲ ቤት ፍርዲ። \"ሽዑ ፒት ብድሕሪት ብሕቘኡ፡ ነብሱ ናብቲ መንበር እታ ነፋሪት ደርብዩ፡ ንዓኣ ኣብቲ ሰድያ ብምልጋዕ ሕቘኣን ብርካን ሃስይዋ\" እናበለ ይቕጽል። \"እቶም ህጻናት ተጓይዮም ኵሎም ብትብዓት ነንሕድሕዶም ክከላኸሉ ፈቲኖም። ቅድሚ’ቲ ኵነታት ደው ምባሉ ፒት ንሓደ ካብቶም ቈልዑ ሓኒቝ ንኻልእ ድማ ኣብ ገጹ ወቒዕዎ።\" ጠበቓታት ጆሊ፡ ንሳን ደቃን ንዝተረፈ በረራ \"ኣብ ኮቦርታ ኣትዮም ስቕ ኢሎም\" ይብሉ። \"ፒት ጸጸኒሑ ካብ ድሕሪት ‘ታ ነፋሪት እናመጸ ይጭድርን ይምሕልን ነይሩ። ሓንሳእ፡ ኣብ ልዕሊ ጆሊን ሓደ ቈልዓን ቢራ ኣፍሲሱ፤ ኣብ ካልእ እዋን ድማ፡ ቢራን ቀይሕ ነቢትን ኣብ ልዕሊ እቶም ህጻናት ኣፍሲሱ\" ይብል እቲ ፋይል። እቲ ፍጻመ ኣብ 2016 ብኤፍ.ቢ.ኣይ ዝተመርመረ ኰይኑ፡ ሰብመዚ ናብ ክሲ ከይከይከዱ ወሲኖም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቤት ፍርዲ፡ ክልቲኦም ወለዲ መጕዚትነት ደቈም ክህልዎም ወሲኑ። ጠበቓታት ጆሊ ኣብቲ ዘቕረብዎ ጥርዓን፡ እታ ተዋሳኢት \"ብሰንኪ ኣብታ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ ደቈም ዝወረደ ቃንዛ ንምፍዋስን ከም ዝርስዕዎ ንምግባርን ብዙሕ ጻዕሪ ከምዝገበረት\" ይገልጹ። ንሳቶም ወሲኾም፡ ኣብቲ ትካል ዘለዋ ብጽሒት ክትሸይጥ ዝወሰነት፡ ብኸፊል \"ምስ ኣልኮላዊ መስተ ዝተኣሳሰር ንግዲ ምቕጻላ ዝፈጥረላ ዘይምቹእነት እናዓበየ ብምምጽኡን፣\" ምዃኑ ብምጥቃስ፡ “እቲ ፍሉጥ ጸገም መስተ ፒት” እውን ተመልክት። ብራድ ፒት ኣብ 2019 ንጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ ኣንጀሊና ጆሊ ድሕሪ ምፍልላዩ ናብቲ  ‘ኣልኮሆሊክስ ኣኖኒመስ’ ዝተባህለ - ብሰንኪ ክቱር ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ንዝተመረዙ ሰባት ዝሕግዝ ትካል ግብረ ሰናይ - ከምዝተጸንበረ ገሊጹ ነይሩ።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c1r0wrwq7w2o"} {"headline":"ካናዳ፡ መጥቃዕቲ ካራ ካብ ዝፈጸሙ ክልተ ኣሕዋት እቲ ሓደ ሞይቱ ተረኺቡ","content":"ካብ ጥርጡራት እቲ ብሰንበት ኣብ ሳስካችዋን ዝተፈጸመ ጃምላዊ መጥቃዕቲ ካራ፡ ሓደ፡ ሞይቱ ከምዝተረኸበ ፖሊስ ኣፍሊጡ። ኣስከሬን ናይቲ ደምያን ሳንደርሰን ዝተባሃለ ጥርጡር ኣብቲ ብዙሓት ግዳያት ዝርከቡሉ ከባቢ ጀምስ ስሚዝ ክሪ ነሽን እዩ ተረኺቡ። እቶም ብካራ 10 ሰብ ብምቕታል ዝተጠርጠሩ ክልተ መንእሰያት ኣሕዋት ከምዝኾኑ  ዝሓበረ ፖሊስ፡ ማይልስ ሳንደርሰን ግን ኣብ ከተማ ረጂና ክህሉ ከምዝኽእል ገሊጹ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ካናዳ ካብ ዝተፈጸሙ  እቲ ዝኸፈአ ከምዝኾነ ክሕበር እንከሎ፡ ካልኦት 18 ሰባት እውን ቆሲሎም እዮም። ነበርቲ፡ እቲ ሓደ ጥርጡር ይህደን ከምዘሎ ዝገልጽ ተደጋጋሚ ናይ መጥንቀቕታ መልእኽቲ ናብ ስልኮም ይለኣኸሎም ኣሎ። ኣብቲ ኣለሻ፡ ፖሊስ ግዝኣታት ሳስከችዋን፣ ማኒቶባን ኣልበርታን ይሳተፉ ኣለዉ። ፖሊስ ነቲ ኣብ 13 ከበቢታት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ምጽራይ ዘለዉ ኮይኖም፡ እቶም ጥርጡራት ብቕትለት ተኸሲሶም እዮም። ብተወሳኺ እቲ ሞይቱ ዝተረኸበ ጥርጡር ኣብ ሰብነቱ ዝረኣይ ጉድኣት ከምዘለዎን ንባዕሉ ዝጎደአ ከምዘይመስልን ተገሊጹ። ኣብ ቀይዲ ዘይወዓለ ሳይረስ እውን ተመሳሳሊ ኣካላዊ ጉድኣት ክህልዎ ከምዝኽእልን ናብ ማእከል ሕክምና ክቕልቀል ተኽእሎ ከምዘሎን ፖሊስ ኣፍሊጡ፤ ኣብ ቅትለት ሓዉ ኢድ እንተለዎ ግን ኣይተገለጸን። እቲ ጥርጡር ተደጋጋሚ ገበን ብምፍጻም ዝተመዝገበ እዩ።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cmlnn2veke0o"} {"headline":"ኣብ ካናዳ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካራ ብውሑድ 10 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ካናዳ ግዝኣት ማእከላይ ሳስካችዋን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካራ ብውሑድ 10 እንትሞቱ ካልኦት 15 ከም ዝቖሰሉ ፖሊስ ገሊጹ። እቶም ግዳያት ኣብ 13 ቦታታት ዝተረኸቡ ኮይኖም ነቲ መጥቃዕቲ ብፍምጻም ዝተጠርጠሩ ክልተ ሰባት ንምሓዝ ኣለሻ ይካየድ ኣሎ። ነበርቲ ካብቶም ዝተዓጠቑን ሓደገኛታትን ከም ዝዀኑን ዝተገለጸ ዕጡቓት ንባዕሎም ክሕልዉ እውን ተነጊርዎም። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ  ጀሚስ ስሚዝ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከባቢ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ተኣዊጁ ኣሎ። እቲ መጥቃዕቲ ካራ ኣብ ካናዳ ካብ ዘጋጠሙ ቀተልቲ ፍጻመታት ሓደ ኰይኑ፡ ናብ ሞባይል ስልኪ ነበርቲ እታ ግዝኣት ሓደገኛ ሰባት ከም ዘለዉ ዝገልጽ መልእኽቲ መጥንቀቕታ ተላኢኹሎም። ቀዳማይ ሚኒስተር ጀስቲን ትሩዶ እቲ ሓደጋ “ዘሰንብድን ልቢ ዝሰብርን” ክብል ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊጹ። ፖሊስ ብወገኑ ቁጽሪ ዝቖሰሉ ካብቶም ናብ ሆስፒታል ዝኸዱ 15 ሰባት ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ሓቢሩ። ገለ ካብቶም ግዳያት ዒላማ ናይቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ከምዝነበሩ ዝገለጸ ፖሊስ፡ ገሊኦም ግን ብኣልማማ መጥቃዕቲ ዝተፈጸሞም ምዃኖም ሓቢሮም። ብተወሳኺ ፖሊስ ነቲ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ዝተጠርጠሩ ደምያን ኣንደርሰንን ማይለስ ኣንደርሰንን ዝተባህሉ ክልተ መንእሰያት ስእሊ ዘርጊሑ ሃደን የካይድ ኣሎ።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ce5mm35lpyeo"} {"headline":"ኣብ ሓደ መዋዕለ ህጻናት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 34 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ታይላንድ ሓደ ኣባል ፖሊስ ነበር፡ ኣብ መዋዕለ ህጻናት ብሽጉጥን ብካራን ተጠቒሙ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 34 ሰባት ከምዝሞቱን ኣስታት 12 ከምዝቖሰሉን ተገሊጹ። ነቲ ኣብ ግዝኣት ኖንግ ቡኣ ላምፉ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀሰብ፡ ንምሓዝ ዝተገብረ ሃድን ስዒቡ እቲ ሰብኣይ ንገዛእ ርእሱን ስድርኡን ከም ዝቐተለ’ውን ፖሊስ ሓቢሩ። እቶም ግዳያት፡ ክልተን ካብኡ ንላዕልን ዓመት ዝኾኑ ህጻናት፡ ዓበይትን ነፍሰጾርን ይርከብዎም። እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ቅድሚ ምህዳሙ ንግዳያቱ ብጥይት ከም ዝሃረሞምን ብኻራ ከም ዝወግኦምን ካብ ፖሊስ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ። እቲ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዘለዓዓሎ እንታይ ከምዝኾነ ንጹር ኣይኮነን። ፖሊስ ከም ዝብሎ፡ እቲ ውልቀሰብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ኣባልነት ፖሊስ ተባሪሩ እዩ። \"እቲ ተኳሲ ኣብ ከባቢ ሰዓት ምሳሕ ኣትዩ፡ መጀመርታ ንኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ሰራሕተኛታት እቲ ማእከል ክንክን ህጻናት ጥይት ተኲሱሎም\" ክትብል፡ ኣብ ጥቓ እቲ ከባቢ ትሰርሕ ዝነበረት በዓል ስልጣን ናይቲ ከባቢ ጂዳፓ ቡንሶም ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ተዛሪባ። \"ኣብ መጀመርታ ሰባት ርችት መሲልዎም ነይሩ\" ትብል፡ ድሕሪኡ እቲ ዕጡቕ ናብቲ ህጻናት ዝድቅሱሉ ዕጹው ክፍሊ ሰይሩ ከምዝኣተወ ትገልጽ። ቀዳማይ ሚኒስተር ታይላንድ ፕራዩት ቻን-ኦቻ፡ ነቲ መጥቃዕቲ \"ዘሰንብድ ፍጻመ\" ክብል ገሊጽዎ። ብተወሳኺ፡ ብቕልጡፍ ምርመራ ክግበር’ውን ከምዝኣዘዘ ሓቢሩ’ሎ። ፕራዩት ቻን-ኦቻ፡ ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝለጠፎ መልእኽቲ፡ እቲ ኣዛዚ ፖሊስ፡ እቲ ዘሕዝን ፍፋመ ብኸመይ ከም ዘጋጠመ ብቕልጡፍ መርመራ ክካየድ ከም ዝኣዘዞ ገሊጹ። ነቲ \"ዘስካሕክሕ\" መጥቃዕቲ ዝኾነነ ቀዳማይ ሚኒስተር ታይላንድ ፕራዩት ቻን-ኦቻ፡ ንስድራቤታት እቶም ግዳያትን ቁሱላትን 'ጽንዓት ይሃብኩም' ኢሉ። ፖሊስ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ፡ ፓንያ ካምራብ ከምዝበሃል ይገልጽ። ንሱ፡ ብናይ ባንኮክ ታርጋ ዘለዋ ጻዕዳ ቶዮታ ፒክ-ኣፕ መኪና፡ ካብቲ ቦታ ከምዝሃደመ ይንገር። ሓደ ላዕለዋይ ኣባል ፖሊስ ግዝኣት ኖንግ ቡኣ ላምፉ፡ ኣብ መንጎ እቶም ግዳያት 23 ህጻናት ይርከቡ ከምዝበለ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ጸብጺቡ። ንሱ ወሲኹ’ውን፡ እቲ ካምራብ ዝተባህለ ሌተናል ኮሎኔል ፖሊስ ነበር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ምጥቃም ሓሽሽ ካብ ሓላፍነቱ ከምዝተባረረ ገሊጹ። ኣብ ታይላንድ ዋላ እኳ መጠን ዋንነት ጠበንጃ ብተዛማዲ ልዑል እንተኾነ፡ ጃምላዊ ተኹሲ ግን ሳሕቲ ዘጋጥም ፍጻመ እዩ። ማዕከን ዜና ሮይተርስ ከምዝሕብሮ፡ ኣብታ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ እትርከብ ሃገር፡ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ምሓዝ ልሙድ እዩ። እዚ መጥቃዕቲ፡ ​​ሓደ መኮነን ሰራዊት ኣብ ባንኮክ ኣብ ዝርከብ መደበር ክልተ መሳርሕቱ ብጥይት ድሕሪ ምቕታሉ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ'ዩ ዝፍጸም ዘሎ። ኣብ 2020፡ ኣብ ከተማ ናኮን ራትቻሲማ ሓደ ወተሃደር 29 ሰባት ቀቲሉ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ድማ ኣቑሲሉ ከምዝነበረ’ውን ይዝከር።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3g8d2lxvd3o"} {"headline":"ብዛዕባ መረጻ ብራዚል ክትግደሱሉ ዘለኩም ሰለስተ ነጥብታት","content":"ኣብ ዝመጽእ 2 ጥቅምቲ  ሓያሎ ኣድመጽቲ ብራዚላውያን ሃገራዊ መረጻ ከካይዱ እዮም። እቲ መረጻን መስርሑን ኸኣ ንፖለቲካዊ ስርዓትን ኵነታት እታ ሃገርን \"ወሳኒ ፈተና\" ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ። ልዕሊ 150 ሚልዮን ሰባት፡ ኣመሓደርቲ መንግስትን ኣባላት ቤት ምኽርን ከምኡ'ውን ኣባላት ፓርላማን ክመርጹ እዮም። እንተዀነ  እቲ ቀንዲ ኣቓልቦ ኣብ መንጐ እቶም ንፕረዚደንትነት ዝወዳደሩ ጃይር ቦልሶናሮን ፕረዚደንት ነበር ሉዊዝ ኢንኣቺዮ \"ሉላ\" ዳ ሲልቫን ክኸውን እዩ። ካብቶም 11 ሕጹያት 50% ድምጺ እንተ ዘይተረኺቡ፡ ውጽኢት ናይዚ ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ሕጹያት ልዑል ተወዳዳርነት ዘለዎ ፖለቲካዊ ሓሳባት ክንዮ ዶባት እታ ኣብ ላቲን ኣሜሪካ ዝዓበየትን ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ከቃልሕ እዩ። ዓለም ድሮ ነቲ ኵነታት ብንቕሓት ትከታተሎ ኣላ  - ምናልባት እውን ኣሜሪካ፡ መንግስቲ ቦልሰናሮ፡ ነቲ ብኤሌክትሮኒካዊ መገዲ ዝወሃብ ድምጺ፡ \"ደሞክራስያዊ መስርሕ ክኽበር\" ጸዊዓ ኣላ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ (ማለት ብ22 መስከረም) ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሰበስልጣን እታ ሃገር፡ ሕጹያትን ፖለቲካዊ ውድባትን ብራዚል፡ እቲ ሓፈሻዊ መረጻ ብሰላማዊ ኣገባብ ክካየድን፡ ናዕቢ ዘይብሉ ሰላማዊ ርትዓዊ መረጻ ክኸውንን ከምዝግባእ ምሕጽንታኡ ገሊጹ ኣሎ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ መረጻ እታ ሃገር፡  ሓያሎ ተዓዘብቲ ኣህጉራውያን ትካላት፡ ነቲ ኵነታት ንምክትታል ናብ ብራዚል ክጕዓዛ ትጽቢት ይገብረለን ። እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰባት ንመረጻ 02 ጥቅምቲ ግን ብምኽንያት እቲ ውዑይ ዘሎ ፖለቲካዊ ኵነታት ጥራሕ ኣይኰነን ዝርእዩዎ፤ ሕቶ ጫካ ኣማዞን'ውን ዓቢይ ቈላሕታ ይህቡዎ እዮም። ኣብዚ መረጻ'ዚ፡ መጻኢ ዕድል እቲ ኣብ ዓለም ካብ  ዘለዉ ዓበይቲ ጫካታት በዞም ክልተ ቀንዲ ሕጹያት ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ስክፍታ ኣሎ። ፕረዚደንት ነበር ሉላ፡ ኣብቲ ካብ 2003 ክሳብ 2010 ንኽልተ እብረ ንብራዚል ኣብ ዝመርሓትሉ እዋን፡ ዘይሕጋዊ  ምብራስ ኣግራብ፡ ዕደናን ዘይሕጋዊ ምርባሕ ከብትን ዝኣመሰለ ነገር ኣብ ምዕጋት ልዑል ተራ ተጻዊታ ነይራ። ብዝገበረቶ ጻዕሪ ከኣ ነቲ ኣብ ኣማዞን ዘሎ ፍጥነት ምብራስ ኣግራብ ከም ዝጐድል ገይራ ነይራ።  እዚ ከኣ ክሊማዊ ለውጢ ንምምካት ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዓቢይ ግደ ኣለዎ ። ቦልሶናሮ ኣብ 2018 ኣብ እተገብረ መረጻ ቅድሚ ምዕዋቱ፡ መጠን እቲ ጥፍኣትን ምብራስ ኣግራብን ኣቐዲሙ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ'ኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ጥሪ 2019 ቃለ-ማሕላ ካብ ዝፈጸመሉ ንደሓር ጥራይ እቲ ዕንወት ብዓቢይ ፍጥነት ቀጺሉ። ኣብ ብራዚል ዝመደበሩ ትካል ምርምር ከባቢ ኣማዞን፡ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብዚ ዓመት እዚ፡ ኣብ ምሕደራ መንግስቲ ቦልሶናሮ ምብራስ ኣግራብ ብ57% ከም ዝወሰኸ ገሊጹ። እቲ የማናዊ ፖለቲካዊ ስነ ሓሳብ ዝኽተል ፕረዚደንት፡ ኣብ ኣማዞን ዝግበር ንግዳዊ ዳህሳስ ንኽቕጽል ብጋህዲ እዩ ዝጣበቐሉ። ነቲ መበቈላዊ መሬት ደቀባት ክዕቀብ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ካብ ዘይቅበሉን ካብ 1988 ንደሓር ደቀባት ንዝነብርሉ መሬት ንምኽላል ክታሙ ዘየንበረን ፈላሚ መራሒ ብራዚል እዩ። ሃገራት ወጻእን መንግስታትን ኵነታት ዕቃበ 'ቲ ኣከባቢ የተሓሳስበን እዩ። ወሃብ ቃል ግሪንፒስ ታስ ባንዋርት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እዚ መረጻ’ዚ \"ብርሰት ኣከባብያዊ ውርሻና ከምዘይጽወር መልእኽቲ ክሰድድ ኣለዎ\" ኢሉ። ተመራመርቲ ስነፍልጠት፡ ጫካ ኣማዞን ናብቲ 'ባይታ ዕንወት’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኵነታት ይቐርብ ከም ዘሎ ብምጥንቃቕ፡ “እቲ ዱር ብሰንኪ ደርቅን ባርዕ ሓውን ነብሱ ንምሕዳስ ኣብ ዘይክእለሉ ኵነታት ክበጽሕ ይኽእል እዩ” ይብሉ። \"ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ምምሕዳር ቦልሶናሮ፡ ብመደረ፡ ብተግባራትን ስጕምትታትን፡ ንዜጋታት እታ ሃገር ይዅን ንተጣበቕቲ ከባብያዊ ዕቃበን ንደሞክራሲን ዘለዎ ንዕቀት ኣርእዩ እዩ።\" ቦልሶናሮ ዝያዳ ናይ ኣማኻሪ ተራ ከምዝጻወት እዩ ዝገልጽ። ኣብዚ ወርሒ’ዚ ኣብ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡  ኣብ እተገብረ ኣኼባ፡ እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ ከባቢያዊ ጉዳያት ዘለዎ ተራን ተገዳስነትን ብማዕከናት ዜና ግቡእ ቈላሕታ ከምዘይተዋህቦን ከም ዘይተገልጸን ተዛሪቡ። \"ብመንጽር ኣከባቢን ቀጻልነቱን ክርአ እንከሎ፡ ብራዚል ኣካል መፍትሕን መወከሲት ዓለምን እያ\" ከኣ ኢሉ። ኣብ ላቲን ኣሜሪካ እታ ዝዓበየትን ዝበዝሐ ህዝቢ ዝነበረላን ሃገር ኣብ ርእሲ ምዃና፡ ብራዚል ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ዝርከባ 15 ሓያል ቊጠባ ዘለወን ሃገራት እያ። ኣብ እተወሰነ ጽላታት ንግዲ ዓለም እውን ልዑል ተራ ኣለዋ። ብራዚል ከም ሶያቢንስ፡ ስጋን ሓጺንን ዝኣመሰለ ኣቕሑ ብብዝሒ እተፍሪ ሃገር ኰይና፡ ቀንዲ መሻርኽቲ ንግዲ ኣሜሪካን ቻይናን እያ። ኣብዚ ቅድመ መረጻን ድሕሪኡን ዝህሉ ዕግርግርን ከኣ ኣብ መላእ ዓለም ሻቕሎት ክፈጥር ግድን እዩ። ብራዚላዊ ክኢላ ማሕበረሰብን ኣህጉራዊ ርክባትን ሊዮናርዶ ፎንትስ፡ ብሰንኪ'ቲ ቦልሶናሮ ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ኤለክትሮኒካዊ ስርዓተ-ድምጺ ዘቕረቦ ሕቶ፡ እቲ \"ዕሸል ደሞክራሲ\" እታ ሃገር ኣብ ፈተና ክወድቕ ከምዝኽእል፣ ደገፍቲ እቲ ትሮፒካዊ ዶናልድ ትራምፕ ብዝብል ቅጽል ዝፍለጥ ቮልሶናሮ፡ ድሕሪ እቲ መረጻ፡  ከምቲ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ካፒቶል ብ6 ጥሪ 2021 [ብደገፍቲ ትራምፕ] ዝተገብረ ዕግርግር ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ግምታት ሂቡ ኣሎ ። \"ከምቲ ኣብ ሓያሎ ምዕራባውያን ሃገራት ዝተራእየ ስርዓት ዲሞክራሲ ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ብራዚል እውን ድሮ ምልክታት ንርኢ ኣለና” ብምባል ፎንትስ ተዛሪቡ። \"ቦልሶናሮ ስዕረት እንተጋጢሙዎ እንታይ ከም ዝገብር ክንግንዘብ ኣለና። ኣብ ብራዚል ዲሞክራሲ ይፍተን ከምዘሎ ክንዛረብ ግን ቅኑዕ እዩ\" ኢሉ። ቦልሶናሮ ኣብ ብራዚል ንዝነበረ ሕጊ ዋንነት ሽጉጥ\/ብረት ስለዘፍኮሰ ኣብታ ሃገር ዕጥቂ ብረት ኣስፋሕፊሑ እዩ።  ካብ 2018 ኣትሒዙ፡ ቍጽሪ እቲ ኣብ ኢድ ውልቀ ሰባት ዘሎ ብረት ናብ ኣስታት ክልተ ሚልዮን ዓሪጉ ከም ዘሎ፡ ንወተሃደራትን ፖሊስን ብራዚል ዝመዝን ሶር ዳ ፓዝ ዝተባህለ ንድሕነት ብራዚል ዝድህስስ ጕጅለ ሓሰብቲ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ገሊጹ። ኣካያዲ ስራሕ ሶር ዳ ፓዝ ካሮሊና ሪካርዶ፡ \"ሎሚ፡ ብረት ንዝዓጠቑ ሰላማውያን ሰባት ዝቈጻጸሩ ሰራዊት እዮም ዘለዉና፣ እዚ ኵነታት እዚ ከኣ ኣዝዩ ኣሰካፊ እዩ\" ኢሉ። እቲ ናይ ሓቂ ሰራዊት ድሕሪ እቲ መረጻ እንታይ ግደ ክህልዎ ከም ዝኽእል እውን ስክፍታታት ኣሎ። ብራዚል ካብ 1964 ክሳዕ 1985 ብወተሃደራዊ ሓይሊ እያ ትመሓደር ነይራ። ፕረዚደንት ቦልሶናሮ ናይ ቀደም ኣባል ሰራዊት ካፒቴን እዩ። ዳሕራይ ምክትል ፕረዚደንት ዝዀነ ምክትሉ ነበር ሃሚልተን ምብሮ ከኣ ጀነራል እዩ። ይዅን እምበር፡ ወተሃደራዊ ክኢላታት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ  ንቢቢሲ ከም ዝሓበርዎ፡ ኣብ ውሽጢ ወተሃደራዊ ዓንኬል ዕልዋ መንግስቲ ናይ ምግባር ሸውሃት ዘሎ ኣይመስልን ክብሉ ገሊጾም። እቲ ካልእ ዓውዲ ኲናት ግን እቲ ናይ ሓበሬታ ምዝንባዕ ግንባር እዩ። ኣብ እዋን ጎስጓስ መረጻ ብፍላይ፡ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠቒምካ ወረታት ኣብ ምዝርጋሕ ብፍላይ ድማ ነቲ ኣብ ብራዚል ብቕጽበት ኣብ ኣገልግሎት ዝውዓለ ዋትስኣፕ ብዝምልከት ንጹር ስክፍታታት ኣሎ። ዋና ዳይረክተር ህዝባዊ ፖሊሲ ብራዚል ዳርዮ ዱሪጋን፡ ንብራዚላዊት ጋዜጣ ኢስታዶ ደ ስሪ ፓውሎ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ፡ እቲ ብ2 ጥቅምቲ ዝካየድ ምርጫ ነታ ኣብ ዓለም ዝለዓለ ተራ ዘለዋ ኩባንያ ሜታ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ገሊጹ ኣሎ ። \"[ብራዚል] ኣብ ሓደገኛ ኩነታትን  ዓቢ ወጥርን እትርከብ ተኣፋፊት ሃገር እያ” ክብል ገሊጹዋ ዱሪጋን ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ብራዚል ካብ ዝተገብሩ መጽናዕቲታት “ሉላ” ልዕሊ መሪሕነት ቦልሶናሮ ተቐባልነት ከምዘለዎ ይሕብር። ከምኡ ክበሃል እንከሎ ግን እቲ ፕረዚደንት ነበር ንተቐናቓኒኡ ክስዕር እኹል ድምጺ ክረክብ ይኽእል እዩ ማለት ኣይኮነን። እቲ ፖለቲከኛ ጸጋማዊ ክንፊ ግን ነቲ ኣብ ካልኣይ ዙር ዝግበር ውድድር ክስዕሮ ከምዝኽእል እዩ ዝሕበር። ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት፡ ኣብ እተፈላለያ ሃገራት፡ ማለት ኣብ ቀረባ ግዜ ከኣ፡ ኣብ መረጻ ኢጣልያ እተረኽበ ዓወት ጆርጂያ ሜሎኒ፡ የማናውያን መራሕቲ ፖለቲካ ይዕወቱ ከምዘለዎ ዘርኢ ከምዝኾነ ተመራመርቲ ይገልጹ። እዚ ከኣ ኣብ ዝዀነ ይዅን ኣንፈት ዓቢይ ጽልዋ እዩ ዘለዎ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኪንግስ ለንደን ዝርከብ ኮለጅ ስነ ፍልጠት መጽናዕቲ ዝገብር ዶክተር ቪኒሲዩስ ደ ካርቫሎ፡ \"ብራዚል ብቝጠባን ፖለቲካን ኣገዳሲት ሃገር እያ፣ ስለዚ፡ እዚ ነቶም ሕሉፍ የማናዊ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ብደሆ ክዀኖም ይኽእል’ዩ\" ኢሉ ይኣምን። ዶክተር ካርቫሎ ኣስዒቡ፡ \"ብራዚል ኣብ መላእ ዓለም ክልቲኦም ሰልፍታት [ሕሉፍ የማንን ጸጋምን] ጕሉሕ ፖለቲካ ዓወት ኣብ ዘካይድሉ እዋን እያ መረጻ እተካይድ ዘላ” ኢሉ።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3g100ln5v7o"} {"headline":"ብሰንኪ ግጥሙ ንማእሰርቲ ዝተቓለዐ ራፐር","content":"ያንግ ተግ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ወዲ 31 ዓመት ጀፈሪ ላማር ዊልያምስ፡ ልዕሊ 2.5 ሚልዮን ኣልበማት ዝሸጠ ራፐር እዩ። \"ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ዝዓበየ ጽልዋ ዘለዎ ራፐር\" ተባሂሉ’ውን ይንኣድ። እዚ ራፐር ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ካብ ዝኣቱ ኣትሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ ድማ ንሳልሳይ ግዜ ዋሕስ ተኸልኪሉ እዩ። ዊልያምስ ኣብ ገበናዊ ንጥፈታት ጎደና ጕጅለታት ብምስታፍን ንዝተወደበ ገበን ንምምካት ዝዓለመ ሕጊ ፌደራል ንምጥሓስ ውዲት ብምፍጻምን እዩ ተኸሲሱ። ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ዊልያምስ ዝመስረቶ ናይ ራፕ ትካል ያንግ ስቶነር ላይፍ (YSL) ሪከርድስ፡ ኣብታ ከተማ \"ካብ 75 ክሳብ 80 ሚእታዊ ዓመጽ ዝመልኦ ገበናት\" ተሓታቲ ዝኾነ ዝተወደበ ሕብረት ገበን ከምዝኾነ ይኸሱ። ነዚ ክሲ እንታይ መርትዖ የቕርቡ? እቲ ራፐር ኣዝዮም ብዙሓት ኣድነቕቲ ዘፍረየሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ግጥሚ ደርፊ። ንኣብነት ኣብ 2018 ኣብ ዝፈነዋ ‘Anybody’ እትብል ደርፉ፡ \"ሰብ ቀቲለ ኣይፈልጥን፡ ግን ምስቲ ሬሳ ገለ ርክብ ኣለኒ\" ክብል ይእውጅ። ብተወሳኺ እውን \"ሚእቲ ዙር ክትኩሱ ነጊረዮም\" ይብል። ግጥሚ ራፕ: ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ መላእ ኣሜሪካ ኣብ ዝተኻየዱ ልዕሊ 500 ገበናዊ ጉዳያት ከም መርትዖ ቀሪቦም እዮም። ሕጂ፡ ኣብ ኮንግረስ ኣሜሪካ ዝቐረበ ሓድሽ እማመ፡ ነቲ ተግባር ደው ንምባል ዝዓለመ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ብናጽነት ምዝራብ፡ ስነ-ጥበባዊ ምግላጽን ዓሌትን ሕቶታት የልዕል ኣሎ። እቲ ሪስቶሪንግ ኣርቲስቲክ ፕሮቴክሽንስ ዝበሃል ሓድሽ እማመ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብሃንክ ጆንሰን ዝተባህለ ጸሊም ዲሞክራት ኣባል ኮንግረስ ዝተኣታተወ እዩ። ሃንክ ጆንሰን፡ ግጥሚ ራፕ ከም ገበናዊ መርትዖ ምጥቃም ዓሌታዊ ምዃኑ ይምጉት። \"ግጥሚ ራፕ ኣብ መስርሕ ፍርዲ ምጥቃም መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣእምሮ መጋባእያታትን ዳያኑን ምዝባዕን ወገናውነትን ዝፈጥር መንገዲ'ዩ፡ እዚ ድማ ጌጋ'ዩ\" ይብል። ተጣበቕቲ ኢንዱስትሪ ራፕ በዚ ሓሳብ ይሰማምዑን እቲ ስነ-ጥበብ ኣብ ትሕቲ መጥቃዕቲ ከምዘሎን ይዛረቡ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሪችሞንድ ፕሮፌሰር ዝኾነ ኤሪክ ኔልሰን ኣብ መንጎ ጸሊም ስነጥበባዊ መግለጺን ሕጊ ኣሜሪካን ዘሎርክብ መጽናዕቲ የካይድ እዩ። ፕሮፌሰር ኔልሰን፡ \"ነዚ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝረኣናዮ እዩ፡ በዚ መንገዲ ዒላማ ዝግበር ካልእ ልብወለዳዊት ሕዝቶ፡ ሙዚቃዊ ይኹን ካልእ፡ የለን\" ይብል። ብተወሳኺ ኣብ 2019 ምስታ ቅድሚ ሕጂ ተሓላቒ ህዝቢዝነበረት ኣንድርያ ደኒስ ብሓባር ኣብ ዝጸሓፍዋ Rap on Trial ትብል መጽሓፍ፡ ራፕ ከም ገበናዊ መርትዖ ናይ ምጥቃም ልምዲ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ይገልጹ። \"ብሓፈሻ ብርቱዕ ምክልኻል ንምቑጻር ዘድልዮም ጸጋታት ዝጎድሎም እቶም ዝኾነ ሓቀኛ ስም ኣፍልጦ ዘይብሎም ኣማተር ራፐራት'ዮም\" ይብል። \"ፖሊስን ዓቃቢሕግን ግን ዝያዳ ድፍረት ከም ዝረኸቡ ክንርኢ ጀሚርና ኣለና።\" \"ብዙሕ ግዜ ብፕላቲኒየም ደረጃ ብዝሸጡ ስነጥበባውያን ዝግለጹ ስሩዕ ግጥምታት እዮም፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ግን ከምኡ ከምዘይኮኑ እዮም ዝገልጹ\" ይብል። ዋላ እቶም ራፐራት ገበን ከምዝፈጸሙ ዘርእይ ኣካላዊ መርትዖ እንተዘይሃለወ’ውን፡ ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ካብቶም ግጥምታት ደርፊ ዘፈራርሑን ወገናውነትን ዘርእዩ ብምምራጽ \"ብዙሓት መጋባእያታትን [ዳያኑን] ብዛዕባ ገበን መንእሰያት ጸለምቲ ጽልዋ ብምግባር [ናይቶም ኣኽበርቲ ሕጊ] ድልየት ንክፍጽሙ” ክገብሩ ከምዝኽእሉ ኒልሰን ይጥቁም። ኣብ ጉዳይ ጀፈሪ ላማር ዊልያምስ (ያንግ ተግ)፡ ኣኽበርቲ ሕጊ፡ እቲ YSL ዝበሃል ትካል ያንግ ተግ፡ ዋላ'ኳ ግራሚ ዝሽለሙ ስነጥበባውያን እንተፈረየ፡ ቅኑዕ ንግዲ ዘይኮነስ፡ ምስቲ ሃገራዊ ትካል ጕጅለ ብላድስ ዝተኣሳሰር ናይ ጎደና ጕጅለ ምዃኑ ተማጒቶም። ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ ክሲ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ YSL ዘፍረዮም 28 ስነጥበባውያን ሕጊ ገበነኛ ዝጽለዉን ብልሹዋትን ትካላት (Racketeer Influenced and Corrupt Organizations Act, RICO) ንምጥሓስ ውዲት ፈጺሞም ክብል ከሲስዎም። ከምኡ’ውን ምስ ተኸታታሊ ገበናት፡ እንተላይ ቅትለት፡ ብዕጥቂ ምዝራፍን ምስ ስርቂ መኪናን ኣተኣሳሲርዎም’ዩ። ኣብ ምሉእ እቲ ሰነድ ክሲ \"ንውዲት ንምስጓም\" ዝተጠቕሱ ኣብ ዓሰርተታት ደርፍታት ዝርከቡ ግጥምታት እቶም ራፐራት እዮም። ብዙሓት ተኸሰስቲ ነቲ ክሲ ብትሪ ነጺጎም። ንነዊሕ እዋን ጠበቓ ዊልያምስ ዝነበረ ብራያን ስቲል እቲ ራፐር \"ዝኾነ ገበን ከምዘይፈጸመ\" ብተደጋጋሚ ተዛሪቡ እዩ። እቶም ኣኽበርቲ ቢቢሲ ንዘቐረበሎም ሕቶ ርእይቶ መልሲ ኣይሃቡን። ኣብ ወርሒ ሰነ ዊልያምስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ ንደገፍቱ ጥርዓን ኣቕሪቡ ነይሩ፡ \"እዚ ብዛዕባይ ወይ ብዛዕባ YSL ከምዘይኮነ ትፈልጡ ኢኹም። ኹሉ ግዜ ሙዚቃይ ከም ስነጥበባዊ መግለጺ እየ ዝጥቀመሉ፡ ሕጂ ድማ ጸለምቲ ስነጥበባውያንን ራፐራትን ከምኡ ከም ክገብሩ ናጽነት ከምዘይብሎም ይርኢ ኣለኹ\" ኢሉ። ምክትል ዓቃቢ ሕጊ ዞባ ሎስ ኣንጀለስ ነበር ፊል ስተርሊንግ ናይቶም ራፐራት ስነጥበባዊ መግለጺታት ከም መርትዖ ብዙሕ ከምዝሓገዙ ይገልጽ። ፊል ስተርሊንግ፡ ልዕሊ ዓቐን ድልየት ዘለዎ ወይ ኣኽራሪ ዓቃቢ ሕጊ ከምኡ’ውን ዘይፍትሓዊ ዳኛ እንተመጺኡ ምዝባዕ ከጋጥም ከም ዝኽእል እኳ እንተኣመነ፡ ግጥሚ ከም መርትዖ ምጥቃም \"ዓሌታዊ\" እዩ ንዝብል ኣተሓሳስባ ግን ይነጽግ። ኣብ ገበናዊ ፍርዲ ግጥሚ ራፕ ከም መርትዖ ምጥቃም ንምድራት ኣብ ዝሓለፈ ገለ ፈተነታት ተኻይዱ እዩ። ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ግዝኣት ኒውጀርሲ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቮንት ስኪነር ዝተዋህበ ፍርዲ ፈተነ ቅትለት ቀይርዎ እዩ። ኣኽበርቲ ሕጊ ኣብቲ ጉዳይ ግጥሚ ስኪነር ከም መርትዖ ክጥቀሙሉ እንከለዉ፡ እቲ ቤት ፍርዲ \"ንመጋባእያ ዝምርዝ\" ጽልዋ ኣለዎ ኢሉ ወሲኑ ነይሩ። እቲ ሪስቶሪንግ ኣርቲስቲክ ፕሮቴክሽንስ ዝበሃል ሓድሽ እማመ ብደረጃ ፌደራል ዝኽልክል ናይ መጀመርታ ስጉምቲ ክኸውን ይኽእል። እንተኾነ ግን ኣብ መወዳእታ ሕጊ ክኸውን ድዩ ኣይኾንን ንምፍላጥ ግዜኡ ገና እዩ። ንሱ ሕጊ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፡ ምእሳር ያንግ ተግ ግን ነቶም ለውጢ ዝደፍኡ ስነጥበባውያን ናህሪ ሂብዎም ኣሎ። ኪለር ማይክ ብዝብል ዝፍለጥ ራፐርን ኣክቲቪስትን ማይክል ረንደር፡ ዊልያምስ ካብ ዝኽሰስ ጀሚሩ ኣብ ሙዚቃኦም ካብ ዝጠቐስዎ ሓያሎ ዉሩያት ስነጥበባውያን እዩ። ንሱ፡ ማእሰርቲ ዊልያምስ ምስቲ ንሙዚቃ ራፕ ዒላማ ዝገበረ ዓሌታዊ ጽልኢ ዝሰማማዕ ከምዝኾነ ይምጉት። \"ፊልም እንተጽሒፍካን፡ ብኣጋጣሚ ምስቲ ፊልም ዝመሳሰል ነገር እንተድኣ ኣጋጢሙን፡ ጉጅለ ገበን ኢኻ ኢለ ኣይክኸሰካን እየ\" ይብል። \"ሂፕ ሆፕ ስነ-ጥበብ'ዩ፡ ስነ-ጽሑፍ'ዩ፡ ግጥሚ'ዩ፡ ናጻ ምዝራብ'ዩ፡ ጋዜጠኝነት'ዩ፡ ከምኡ'ውን ክዕቀብ ኣለዎ\" ይብል ኣውራጃኡ እታ ትውልዲ ሂፕ ሆፕ ዝኾነት ብሮንክስ፡ ኒውዮርክ ዘጠቓልል ኣባል ኮንግረስ ጀማል ቦውማን። \"ገበን ክኸውን የብሉን።\"","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c2j4n0rz24do"} {"headline":"ጋምቤላ፡ ሕሙማት ኣእምሮ ዝርከብዎም 50 ሰላማውያን ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ከም ዝተቐተሉ ተገሊጹ","content":"ብ7 ሰነ 2014 ዓ.ም [ግእዝ] ኣብ ከተማ ጋምቤላ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ ክልል፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ግንባር ሓርነት ጋምቤላን ዘጋጠመ ውግእ ስዒቡ፡ ሕሙማት ኣእምሮ ዝርከብዎም ብውሑዱ 50 ሰላማውያን ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተቐትሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ [ኮሰመኢ] ኣፍሊጡ። እቲ ኮሚሽን፡ ትማሊ ረቡዕ 18 መስከረም 2014 ዓ.ም ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ከተማ ጋምቤላ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ካብ ፍርዲ ወጻኢ ቅትለት ዝፈጸሙ ሰበስልጣን ሕጋዊ ተሓታትነት ክረጋገጽ ፀዊዑ። ኮሰመኢ፡ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ሰነ ኣብታ ከተማ፡ ኣብ መንጐ ሓይልታት ፀጥታ እቲ ክልልን ዕጡቓትን ብሰንኪ ዘጋጠመ ውግእ ዝወረደ ቅትለት፡ መጉዳእትን ዝምታን መርሚሩ ከምዘሎ ሓቢሩ። 13 ገጻት ዝሓዘ ጸብጻብ’ቲ ኮሚሽን፡ ካብ 07 ክሳብ 09 ሰነ 2014 ካብ ፍርዲ ወጻኢ ዝፍፀም ቅትለት፡ መጕዳእትን ዝምታ ንብረትን ብሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ዕጡቓት ሓይልታትን ከምዝተፈፀሙ ኣመልኪቱ። ፍሉይ ሓይሊ ክልል ጋምቤላ፡ ፖሊስ፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ግንባር ሓርነት ጋምቤላ፡ ምልሻታትን መሓዙት መናእሰይን ነቲ ተግባር ኣብ ምፍጻም፡ ምምራሕን ምፍጻምን ኢድ ከምዝነበሮም ሓቢሩ። ኣብተን ሰለስተ መዓልታት፡ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ዞባ፡ ደቂ ኣንስትዮን ሕሙማት ኣእምሮን ዝርከብዎም ብውሕዱ 50 ሰላማውያን ሰባት ብዘይ ፍርዲ ብውልቂን ብጅምላን ከምዝቐተሉ እቲ ኮሚሽን ኣረጋጊጹ። እቶም ዕጡቓት ካብታ ከተማ ምስ ወጹ፡ እታ ከተማ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ድሕሪ ምእታዉን’ውን ቅትለት ከምዝተፈጸመን፡ ነዚ ድማ ተሓታቲ ሓይልታት ጸጥታ ናይቲ ክልል ምዃኖም፡ እቲ ኮሚሽን ይገልጽ። እቲ ኮሚሽን፡ ክልላዊ ሓይልታት ጸጥታ ዝብሎም፡ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል፡ ስሩዕ ፖሊስን ምልሻን ኰይኖም፡ ገለ መናእሰይ ድማ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ተሓባቢሮም ኢሉ። ብመሰረት እቲ ምርመራ፡ እቶም ሓይልታት ፀጥታ ኣብ መንበሪ ገዛውቶም፡ ኣብ ጐደናታትን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ኣኽበርቲ ሕጊ እናሀለዉን፡ ብውሕዱ 50 ሰባት ከምዝቐተሉ እቲ ኮሚሽን ኣረጋጊጹ። ብተወሳኺ ኣስታት 25 ሰባት ቀሊልን ከቢድን መጕዳእቲ ከምዘጋጠሞምን፡ ቍጽሮም ዘይተገልጸ ካልኦት ሰባት ከምዝተጋፍዑን ከምዝተሳቐዩን ጸብጻብ ኮሰመኢ የመልክት። እዚ ድማ፡  \"ኣብ ገዛኹም ዕጡቓት ኦነግ ሸኔ ኣለዉ፣ ኣፅዋር ከምዘለኩም ተሓቢሩና ኣሎ” ብዝበሉ ምኽንያታት ከምዝተፈጸመ ይገልጽ። እቶም ብሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ዝተቐትሉ፡ ብፍሉይ ሓይልታትን ፖሊስን መካይን ጽዕነት ተኣኪቦም ናብ ዘይተፈለጠ ቦታ ተወሲዶም ብጅምላ ተቐቢሮም ምህላዎም እቲ ኮሚሽን ኣቃሊዑ። እቲ ጸብጻብ፡ ሬሳ ክወሃቦም ዝሓተቱ ስድራ መዋቲ ከም ዝተኸልኡ እውን ኣረጋጊጹ። ኢስመኮ፡ ንፖሊስ እቲ ክልል ንምንታይ ሬሳ ናይቶም ዝሞቱ ንስድራ ዘይተወሃበን ንምንታይ መቓብር ቦታታት ንስድራ ዘይተገለጸን ክብል ሓቲቱ። ብኣንጻሩ ምምሕዳር ከተማ፡ ኢሰምኮ ምስ ፌደራልማ ፖሊስ ክራኸቡ ዝሓተተ ኾይኑ፡ ፖሊስ ፌደራል ድማ ብኣንጻሩ እቶም ሬሳታት ተኣኪቦም ኣብ ቀጽሪ ምምሕዳር እታ ከተማ ከምዝተቐብሩ ገሊጹ። ብዘይካ ሓይልታት ጸጥታ ናይቲ ዞባ፡ ዕጡቓት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ግንባር ሓርነት ጋምቤላን፡ ኣብታ ውግእ ዝተኻየደላ መዓልቲ ብውሕዱ 7 ሰባት ቀቲሎም- ይብል እቲ ጸብጻብ። ኣብቲ ምልውዋጥ ተዅሲ፡ ሽዱሽተ ሰባት ቀታሊኦም ከይተነጸረ፡ ከምዝሞቱ’ውን እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል ድሕሪ እቲ ውግእ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልልን ብ8ን 9ን ሰነ 2014 ዓ.ም ውጸኢት መርመራኡ ዕላዊ ገይሩ። ብሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት እታ ከተማ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ገሊጹ፡ ክውሰዱ ዝግባኦም ሕጋዊ ስጕምትታት እውን ኣመልኪቱ። 7 ሰነ ሰዓት፡ መንግስቲ ግብረሽበራ ኢሉ ዝሰየሞ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ግንባር ሓርነት ጋምቤላን፡ ናብ ከተማ ጋምቤላ ኣትዮም መጥቃዕቲ ብምኽፋት፡ ምስ ፌደራላዊ ፖሊስ ምስ ፍሉይ ሓይሊ፡ ፖሊስን ምልሻን ናይቲ ክልል ውግእ ኣካይዶም ነይሮም። እቶም ዕጡቓት፡ ንገለ ክፋል እታ ከተማ ተቘጻጺሮም ምንባሮምን፡ ድሕሪ እቲ ውግእ፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ነታ ከተማ መሊሶም ከም ዝተቘጻጸርዋ ይዝከር።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cevk9y09qkko"} {"headline":"ኣባል ፓርላማ ቱርኪ እንታይ ኮይነ ኢሉ'ዩ ሞባይሉ ጨፍሊቑ?","content":"ኣብ ቱርኪ ዝንቡዕ ሓበሬታ ንምክልኻል ተባሂሉ ይወጽእ ንዘሎ ሕጊ ብምቅዋም ሓደ ኣባል ፓርላማ ሞባይሉ ጨፍሊቑ። እቲ ዝጸድቕ ዘሎ ሕጊ ተግባራዊ ዝኸውን እንተኾይኑ ኣብ ናጽነት ሚድያ እታ ሃገር ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዝህልዎ ነቐፍቲ ይገልጹ።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cl5wve9jkxyo"} {"headline":"ን38 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሐ ኣሜሪካዊ ብመርመራ ዲኤንኤ ነጻ ወጺኡ","content":"ብቕትለት ተፈሪዱ ዳርጋ ንኣርባዕተ ዕቁድ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሐ ሓደ ኣሜሪካዊ፡ ገበነኛ ዘይምዃኑ ብመርመራ ዴኤንኤ ድሕሪ ምርግጋጹ ነጻ ወጺኡ። ሞውሪስ ሃስቲንግስ ነቲ ብ 1983 ዝተፈጸመ ቅትለት ሮበርታ ዊደርምየርን ክልተ ፈተነ ቅትለትን ገበነኛ ተባሂሉ እዩ ልዕሊ 38 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካሊፎርንያ ተኣሲሩ ጸኒሑ። ካብ ዲኤንኤ ዝተረኽበ ሓድሽ ጭብጢ ግና እቲ ቀታሊ ኣብ 2020 ኣብ ሓደ ቤትማእሰርቲ ዝሞተ ካልእ ሰብ ምዃኑ እዩ ኣረጋጊጹ። ሕጂ ወዲ 69 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ሃስቲንግስ እቲ ብ1988 ዝተዋሃቦ ብይን ብ20 ጥቅምቲ ብምስራዙ ነጻ ወጺኡ ኣሎ። ኣኽባር ሕጊ ሎስኣንጀለስ ካውንቲ ዲስትሪክት፡ ጆርጅ ጋስኮን ነቲ ኩነት “ዘሰንብድ ዘይፍትሓውነት” ክብል ገሊጽዎ። “እቲ ስርዓተ ፍትሒ መንቅብ ዘይብሉ ኣይኮነን፡ ንሓደ ብይን ክንጠራጠር ዝገብረና ጭብጢ ክንረክብ ከለና፡ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክንወስድ ግዴታና እዩ፡” ኢሉ። ሮበርታ ዊደርምየር፡ ጾታዊ ዓመጽ ተፈጺምዋ፡ ኣብ ርእሳ ብጥይት ተሃሪማ እያ ኣብ ዳሕረዋይ ክፈል ናይ መኪናኣ ተረኺባ። ሞውሪስ ሃስቲንግስ ብተደጋጋሚ ብቕትለት ተኸሲሱ ብምንባሩ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ብሞት ክቕጻዕ ጠሊቦም ኔሮም። ፈለማ ደያኑ ክሰማምዑ እኳ እንተዘይከኣሉ ድሒሩ ኣብ ዝተኻየደ መጋባእያ ኣብ 1988 ምሕረት ዘይግበረሉ ንሕልፈት ክእሰር ተፈሪዱ። ኣብታ ግዳይ መርመራ ኣብ ዝተገበረሉ እዋን፡ ፈሳሲ ዘርኢ ወዲ ተባእታይ ተረኺቡ ኔሩ። ሞውሪስ ካብ ዝተኣሰረሉ ግዜ ጀሚሩ ገበነኛ ዘይምዃኑ ክሙግት እኳ እንተጸንሐ፡ ኣብ 2000 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን ናይ ዲኤንኤ መርመራ ንምግባር ዝቐረበ ሕቶ ብኣኽባር ሕጊ እቲ ዲስትሪክት ተቐባልነት ኣይረኸበን። ኣብ 2021 ብዘቕረቦ ጥርዓን ግና ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ናይ ዲኤንኤ መርመራ ክግበር እንከሎ እቲ ዘርኢ ወዲተባዕታይ ናቱ ከምዘይኮነ ተረጋጊጹ። እቲ ናይ ዲኤንኤ ውጽኢት ናይ ሓደ ብምጭዋይ ሰባት ገበነኛ ተባሂሉ ኣብ ተኣሲሩ ዝነበረ ሰብኣይ ምዃኑ እዩ ኣርእዩ። ነቲ ብይን ንምስራዝ፡ ብ20 ጥቅምቲ ድሕሪ ዝወዓለ መጋባእያ፡ ሞውሪስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ከምዘየማርርን ዝተረፈ ዕድሚኡ ከስተማቕር ከምዝደልን ተዛሪቡ። “እዛ መዓልቲ ክትመጽእ፡ ንብዙሕ ዓመታት እየ ጸልየ፤ ኣጻብዕተይ ኣየወጣውጥን፡ ኣየማርርን፡ ዝተረፈ ህይወተይ ከስተማቕር ጥራሕ’የ ዝደሊ” ምባሉ ኣሶሽየትድ ፕረስ ጸብጺቡ።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c9x5g1rd1djo"} {"headline":"ሓድሽ ትካል ጸጥታ ዝተዋህቦ ስልጣን \"መኸተ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት\" እንታይ የመልክት?","content":"ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት ዝብል ቃል ንባዕሉ ኣዝዩ ኣካታዒ ኰይኑ ብዙሕ ዝተፈላለየ ትርጕማት ኣለዎ። ፕሮፖጋንዳ ግን ቀንዲ ትሕዝቶኡ እዩ። ምስ ልምዳዊ ኲናትን ዕጥቃዊ ቃልስን ብምትእስሳር ግን ኣጽቢቦም ዝትርጕምዎ ኣለዉ። ካልኦት ድማ ንሰላማውያን ሰባት እውን ዒላማ ዝገበረ ዝተዋደደ ፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ገይሮም ይርእይዎ። እቲ ቀንዲ ዕላማ ሞራል ጸላኢ ምድኻም እዩ። ንዘመናት ብፍላይ ንወተሃደራዊ መራሕትን ወተሃደራትን ዒላማ ዝገበረ ኰይኑ፡ ብባህላዊ ኣገባብ መራኸቢታት እዩ ዝመሓላለፍ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ምስ ምስፍሕፋሕ ኢንተርነት ተተሓሒዙ ግን፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት ኣብ መንጎ ተቓለስቲን ዒላማን ግልጺ ዘይኮነ መስመር ተፈጢሩ’ሎ። ሓደ ካብቲ ምኽንያት፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ብመንግስታት ዝምራሕ ዝነበረ ወፍሪ፡ ሕጂ ዘይመንግስታዊ ትካላት እውን ስለዝሳተፉሉ እዩ። ክንፈ ይልማ (ዶ\/ር) ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ተሓባበሪ ፕሮፌሰር እዩ። ብፍላይ ብሕጊ ሳይበር ውህሉል ተመኵሮ ኣለዎ። ኢንተርነት ምትሕልላፍ ሓበሬታ ክቐልል ምግባሩን ሰባት መንነቶም ከይተፈልጠ ሓበሬታ ክዝርግሑ ምኽኣሎምን፡ ሃገራት ንጉዳይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት ብደቂቕ ክጥምታ ዝገበረ ምዃኑ ይኣምኑ። ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት ካብ ምጅማር ካልኣይ ውግእ ዓለምን ምጅማር ዝሑል ኲናትን ጀሚሩ ብተደጋጋሚ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ዝነበረ ቓል እዩ። ኣብ መወዳእታ ሰብዓታት ኣቦ መንበር ወተሃደራዊ ስርዓት ደርጊ ዝነበረ መንግስቱ ሃይለማርያም፡ \"ሃጸያውያን ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት ከፊቶምልና\" ብምባል ንምዕራባውያን ምውቃሱ ምዝካር፡ እዚ ጕዳይ ኣብ ኢትዮጵያ'ውን ሓድሽ ነገር ከምዘይኮነ ዘመልክት እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ስልጣን ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ'ውን ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት ክዛረብ ተሰሚዑ እዩ። ይዅን እምበር ክሳብ ሕጂ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት ብዝምልከት ኣብ ጋዜጣ ነጋሪት ይዅን ኣብ ሰነዳት መንግስቲ ዝተገልጸ ነገር የለን። ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ሓምለ 01\/2014 ዓ.ም. ዘካየድዎ ኣኼባ፡ ኣብ ኣዋጅ ምቛም ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ሓበሬታን ድሕነትን ምምሕያሽ ገይሩ እዩ። እቲ ምምሕያሽ ካብ ዘጠቓለሎም ዓንቀጻት እቲ ሓደ ኣቓልቦ ተሓለቕቲ ሰባዊ መሰላት ስሒቡ’ሎ። እቲ ምምሕያሽ ነቲ ትካል ተወሳኺ ስልጣን ዝሃበ ኰይኑ ካብዚኦም እቲ ሓደ መኸተ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት እዩ። “መስርሕ ምምካት ኣብ ሃገር ዝግበሩ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናታት ምምራሕን ምውዳድን” ዝብል ሓላፍነት ነቲ ትካል ከምዝሃበ እቲ ምምሕያሽ ይሕብር። ቅድሚ ዓመታት ንሚኒስትሪ ሰላም ዝተዋህበ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን፡ ከምኡ’ውን ኣገልግሎት ተመለስቲን ናይ ምክትታል ሓላፍነት’ውን ተመሊሱሉ ኣሎ። \"ከምኡ'ውን ዝዀነ ሰብ ካብቲ ኣገልግሎት ዝረኸቦ ሓበሬታ ክጥቀምን ኣብ ስራሕ ከውዕሎ ይግባእ\" ይብል እቲ ሓድሽ ኣዋጅ። እዚ ግዴታ ዘይምፍጻም ብመሰረት ሕጊ ገበን ተሓታትነት ከም ዘስዕብ እቲ ኣዋጅ ይገልጽ። እቲ ሓድሽ ዝጸደቐ ኣዋጅ ከምቲ ኣብ ካልኦት ሕግታት ዝግበር፡ ነቲ ተግባር ብእዅል መልክዑ ዝገልጽ ኣይኰነን። ነቲ ሓላፍነቱ ካብ ምሃብ ሓሊፉ’ውን ንመን ከም ዝምልከት ሓዊሱ ዝዀነ ይዅን መብርሂ የብሉን። ሕጊ ጸረ-ግብረሽበራ፡ ሕጊ ገበን ኮምፒተር፡ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዝቈጻጸር ሕጊ፡ ዋላ እውን ሕጊ ገበን ኣሎ። ስለምንታይ እዚ ኣዋጅ ምውጻእ ኣድላዪ ኰይኑ ዝብል ሕቶ እዅል መልሲ ኣይረኸበን። ኣብቲ ዓውዲ መዳርግቲ ኣካላት ኣብቲ ጕዳይ እዅል ምምኽኻር ኣይተገበረን ዝብል ጥርዓን ኣብ ዘስምዑሉ ዘለዉ እዋን፡ እቲ ኣዋጅ ብታህዋኽ ዝጸደቐሉ ምኽንያት ሕቶታት ኣስዒቡ ኣሎ። \"ኣብታ ሃገር ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝጸንሐ ናይ ጸጥታ ጸገምን ዘይምርግጋእን ነዚ ናይ ሕጊ ጽገና ዝወለደን እመስለኒ። ኣካላት መንግስቲ ነቲ ጸገም ኣጋዲዶምዎ ካብ ዝብል እምነት ዝመጸ እመስለኒ\" ክብል ከንፈ ይልማ (ዶክተር) ግምቱ ይገልጽ ። ከም 'ኲናት ሓበሬታ'ን 'ስርሒታት ሳይበር'ን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት፡ በቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ህሉው ሕግታት ዝሽፈኑ ምዃኖም እውን ይሕብር። ወሲኹ እውን፡ ዕላማ ምምስራቱ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሃገራዊ ትካል ድሕነት መርበብ ሓበሬታ (INSA) ነዞም ዕማማት ዝፍጽም ግቡእ ትካል ምዀነ ነይሩ ይብል። ክንፈ፡ \"እቲ ኵነታት ኣብ መንጐ እቲ ሕጊ ዝነደፈ ኣካልን ዝምልከቶም ህዝብን ክሳብ ክንደይ ዘተ ከምዝነበረ ዘርኢ እመስለኒ\" ኢሉ። ስነ-ኣእምሮኣዊ ውግእ ዝምልከት ዝገዝእ ኣህጉራዊ ሕጊ የለን። ነዚ ንምትግባር ድማ ሃገራት ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለወን ሕጋውን ፖሊሲኣውን ኣማራጺታት ተጠቒመን ነቲ ክፍተት ክሽፍና ይፍትና እየን። ንኣብነት ኣሜሪካ ኣብ ወተሃደራታ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት ንምምካት ዝተወደቡ ረጅመንት ኣለዉዋ። እዚ ሰራዊት ይዅን ኣባላቱ ነዚ ስልጣን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ክጥቀሙሉ ከምዘይክእሉ ግን ብሕጊ ተቐሚጡ ኣሎ። ብዘይካ ኣሜሪካ፡ ብዙሓት ሓይልታት ዓለም ነዚ ፕሮፖጋንዳዊ ኲናት ዝተወፈየ ሕግታትን መሓውራትን ክፍልታትን ኣለወን። ብጥብቂ ቍጽጽር ግን እዚ ንዕለታዊ ንጥፈታት ዜጋታትን ሰብኣዊ መሰላቶምን ኣብ ሓደጋ ከየእቱ ይጽዕሩ። ብዓለምለኸ ሕግታት ኣቢሎም ነቲ ክፍተት ንምምላእ ብደረጃ ሕቡራት መንግስታት ዝግበር ጻዕሪ ኣሎ ዝብል ዶክተር ክንፈ፡ እቲ ጻዕሪ ኣብ ቀረባ እዋን ፍረ ክህልዎ እዩ ዝብል እምነት የብሉን። እዚ ድማ ብቐንዱ ኣብ መንጎ ሓያላት ሃገራት ዘሎ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ እዩ። ንሱ ከምዝብሎ፡ ምስ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ጸረ-ሽበራ ዝፍጸሙ ገበናት እንታይ ፍልልይ ከምዘለዎ ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኮነን። ተሓለቕቲ ሰባዊ መሰላት፡ ውልቀሰባት፡ መራኸቢ ብዙሃንን ኣህጉራውያን ትካላትን፡ ኣብ እዋናዊ ይዅን ጸጥታዊ ጉዳያት ዝህብዎ ርእይቶ፡ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ናይዚ ሓድሽ ሕጊ ከይኣትዉ ስግኣታት ኣሎ። \"ኣብ ናጽነት ምዝራብን ተዛመድቲ መሰላትን ጸቕጢ ከይመጽእ፡ ትካላትን ውልቀሰባትን ኣብ ርእሰ-ሳንሱር ከይኣትዉ ስግኣት ኣለኒ\" ክብል ስክፍታኡ ይገልጽ። እቲ ሕጊ ንጥሕሰት መሰላት ከይውዕል ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ሕጂ እውን ናይ መንግስቲ ከምዝዀነ’ውን የተሓሳስብ። ብተወሳኺ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ወይ እቲ ትካል ተወሳኺ መምርሒታት ብምውጻእ ዘይርጕጽ ዝዀኑ ነገራት ከነጽር ከምዘለዎ እውን ይመክር። ዶክተር ከምዝብሎ፡ እዞም ትርጕማት እዚኦም'ውን መሰል ምዝራብ ሓዊሱ ንሰባዊ መሰላት ብዘይትንክፍ መገዲ ክትርጐሙ ኣለዎም። ካብዚ ብተወሳኺ ሲቪላዊ ማሕበራት ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ክሊ ዝተፈላለዩ ሕግታት ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ዓቢይ ስራሕ ክሰርሑን እዚ ሓድሽ ስልጣን ንጥሕሰት መሰላት ከይውዕል ሕጂ'ውን ከረጋግጹ ኣለዎም።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ckkylvvlq1ro"} {"headline":"ብእስራኤል ክድለ ዝጸንሐ ኣዛዚ 'ብርጌድ ሰማእታት' ፍልስጤም ተቐቲሉ","content":"ኣዛዚ 'ብርጌድ ሰማእታት' ኣልኣቕሳ ተባሂሉ ዝፍለጥ ጕጅለ ዕጡቓት ፍልስጤም ዝዀነ ኢብራሂም ኣልናብሉሲ፡ እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ብዘካየደቶ ስርሒት መጥቃዕቲ ተቐቲሉ። ወዲ 26 ዓመት ኢብራሂም ኣልናብሉሲን ካልኦት ክልተ ሰባትን ኣብ ከተማ ናብሉስ ኣብ ሓደ ገዛ ኣብ ዝተኻየደ ወራር እዮም ተቐቲሎም። ብውሕዱ 40 ሰባት ከምዝቘሰሉ ቀይሕ ወርሒ ፍልስጤም ሓቢሩ። ብርጌድ ሰማእታት ኣልኣቕሳ ምስቲ ንምዕራባዊ ገማግም ዝቈጻጸር ምንቅስቓስ ፍልስጤም ፋታሕ ርክብ ዘለዎ መርበብ ሚልሻታት እዩ። እስራኤል፡ ናቡልሲ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ብርቱዕ መጥቃዕቲ ንዘካየደት ዋህዮ ይመርሕ ከምዝነበረ እያ ትኸስስ። ሰለስተ ካብ መሻርኽቱ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ ወራር ክቕተሉ እንከለዉ፡ ናብሉሲ ግን ከም ዘምለጠ ማዕከናት ዜና እስራኤል ሓቢረን ነይረን። ብድሕሪኡ'ዉን ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ጻዕሪታት'ኳ እንተተገብሩ ከይተታሕዘ ጸኒሑ እዩ። ብሰሉስ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ወተሃደራት እስራኤል፡ ናብ ገዛኡ ተወንጫፊ ሮኬታት ብምትኳስ ናብሉሲ ካብ ገዛኡ ንኽወጽእ ኣገዲዶምዎ። ኣብቲ ገዛኡን ኣብ ካልእ ቦታታት እታ ከተማን ዝተኻየደ ምልውዋጥ ተዅሲ፡ ኣብ ብዙሓት ፍልስጤማውያን መጕዳእቲ ኣስዒቡ እዩ። ኣርባዕተ ሰባት ድማ ብኸቢድ ቈሲሎም ኣለዉ። ኣብ ሰራዊት እስራኤል ዝወረደ ዝዀነ ጕድኣት የለን። ብርጌድ ሰማእታት ኣልኣቕሳ ምስ እስላማዊ ጅሃድ ፍልስጤም ብምትሕብባር ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ንእስራኤላውያን ዒላማ ዝገበሩ ብርክት ዝበሉ መጥቃዕትታት ከምዝፈጸሙ ማዕከናት ዜና እስራኤል ይሕብራ። ወተሃደራት እስራኤል ኣብ ቀረባ እዋን ብቐንዱ ዕጡቓት እስላማዊ ጅሃድ ፍልስጤም ንምሓዝ ዝዓለሙ ሓያሎ ወራራት ኣብምዕራባዊ ገማግም ኣካይዶም እዮም። እቶም ዕጡቓት ካብ ቓዛ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሮኬታት ናብ ተልኣቪቭን እየሩሳሌምን ተኲሶም እዮም። ሳላ ስርዓት ምክልኻል ኣየር ‘ኣይሮን ዶም’፡ ኣብ እስራኤላውያን ዝወረደ መጕዳእቲ ኣይነበረን። ድሕሪ ናይ ሰለስተ መዓልታት ውግእ ብግብጺ ዝተሽምግለ ተዅሲ ደው ምባል ትማሊ ሰንበት ተኣታትዩ ነይሩ። ኣብቲ ትሕቲ ቍጽጽር ኣብ ዝርከቡ ግዝኣታት ፍልስጤም፡ ዓመጽ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ብሰንኪ መጥቃዕቲ እስራኤል፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ጥራይ ክሳብ ሕጂ 129 ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም ኣለዉ። እስራኤል፡ እቲ መጥቃዕቲታት ህዝባ ንምክልኻል ኣገዳሲ ዝዀነ \"ንጥፈት ጸረ-ሽበራ\" እዩ ትብል። ኣብዚ ስርሒታት ብዛዕባ ዝሞቱን ዝቘሰሉን ፍልስጤማውያን ብዝምልከት ግን ዝነቕፉ ኣለዉ። ሓይልታት እስራኤል ንኢብራሂም ኣልናብሉሲ ንምሓዝ ልዕሊ ሓደ ዓመት ጻዕሪ ገይሮም እዮም። ኣብ መንእሰያት ፍልስጤማውያን ህቡብን ብዙሓት ተኸታተልቲ ቲክቶክን ዘለውዎ ኢብራሂም ኣልናብሉሲ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት እስራኤልን ሲቪላትን መጥቃዕቲ ፈጺሙ ብዝብል እዩ ተኸሲሱ። ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ክቐትልዎ ወይ ክማረኽዎ ተቓሪቦም'ኳ እንተነበሩ ኢብራሂም ኣልናብሉሲ ግን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፈተነ ኣምሊጡ ጸኒሑ እዩ። ስእልታት ብባንዴራ ፍልስጤም ዝተሸፈነ ሬሳ ኣልናብሉሲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስ ተዘርግሐ፡ መጥቃዕቲ እስራኤል ብዝፈጠሮ ቍጥዐ፡ ኣብ ራማላን ኬብሮንን ግጭታት ተራእዮም ኣለው። ኣብ ቤተልሄም ድማ ሓፈሻዊ ኣድማ ተጸዊዑ ነይሩ። ብድኹም መሪሕነት ሰበስልጣን ፍልስጤም ተስፋ ዝቘረጹን ብሓይሊ ለውጢ ዝደልዩን ሰባት ኣብ ጎደናታት ተኣኪቦም ንሞት ኣልናብሉሲ ዘለዎም ተቓውሞ ኣስሚዖም።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cl7eklzk0qko"} {"headline":"ጠንቂ ናይቲ ንኤርትራውያን ዝመቓቐለ ጎነጻዊ ፍጻመ ጊሰን ጀርመን እንታይ'ዩ?","content":"ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 20 ነሓሰ፡ ኣብታ ካብ ከተማ ፍራንክፈርት ውጽእ ኢላ እትርከብ ከተማ ጊሰን፡ ልዕሊ 20 ኤርትራውያን ዘቑሰለ ጎነጽ ዝተሓወሶ ናዕቢ ኣጋጢሙ ነይሩ። ኣብ ከተማ ጊሰን ኣብ ዝርከብ ማእከል ኤግዚቢሽን (Hessenhallen in Gießen) ዝተባህለ ቦታ ብምትሕብባር ቆንስል ኤርትራ ኣብ ፍራንክፈርትን ማእከላይ ሽማግለ በዓላት ኤርትራውያንን \"ባህላዊ ፈስቲቫል\" ኣብቲ ዕለት ናይ ምሸት ክካየድ ተመዲቡ። እንተኾነ ግን ነቲ ጽንብል ዝቃወሙ መንእሰያት፡ ኣንጻሩ ሰልፊ ክካየድ ዝቐረበ ሕጋዊ ሕቶ ምስተነጽገ፡ ገለ ካብኦም ንቐጽሪ ናይቲ ቦታ ጥሒሶም ብምእታው ነቲ መደብ ክስረዝ ከምዘገደድዎ ጸብጻባት የመልክቱ። እቲ ኩነታት ናብ ጎነጽ ድሕሪ ምምርሑ ኸኣ ሓያሎ ሰባትን ኣባላት ፖሊስን ቆሲሎም። እቲ ፍጻመ ድማ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ጸግዒ ዘለዎም ኤርትራውያን ሓያል ክትዕ ፈጢሩ የዘራርብ ኣሎ። ሰብመዚ ፖሊስ እቲ ከባቢ ብሰኑይ 21 ነሓሰ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብቲ ዝተፈጥረ ጎንጺ 26 ነቲ ምርኢት ኣብ ምውዳብ ዝነበሩ \"ተሓጋገዝትን ተሳተፍትን\" ከምዝቖሰሉ ሓቢሮም። ብዘይካ'ዚ፡ \"ሸውዓተ ኣባላት ፖሊስ ቀሊል ጉድኣት\" ከምዝወረዶም፡ እንተኾነ ስርሖም ካብ ምቕጻል ዝገብር ከምዘይነበረን ጸብጻብ ፖሊስ ጊሰን ጠቒሱ'ሎ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ \"ቀዳም ሰዓት 5፡00 ናይ ምሸት ኣቢሉ፡ ኣስታት 100 ሰባት ኣብ ልዕሊ ተሓጋገዝትን በጻሕትን ናይቲ ንቀዳም ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ባህላዊ ፈስቲቫል መጥቃዕቲ ፈጺሞም\" ይብል። እቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት፡ ኣካል ናይቲ ኣንጻር እቲ ዝተባህለ \"ባህላዊ ፈስቲቫል\" ንምቅዋም ኣብቲ ቦታ ዝተገብረ ምትእኽኻብ ከይኮነ ከምዘይተርፍ ፖሊስ ይእምት። \"እቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ፡ ሓጹር ዘሊሎም ናብቲ ቀጽሪ ብምእታው፡ ኣብቲ ቦታ ንዝነበሩ ሰባት ብኣባትር፡ ሓጻውን፡ ካራታትን ኣእማንን ኣጥቂዖሞም\" ይብል መግለጺ ፖሊስ። ገለ ካብቶም ሰባት ኣብ ልዕሊ ፖሊስ'ውን ብእምኒ ዝተሰነየ መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ሰብመዚ ፖሊስ ይገልጹ። ገለ ኤርትራውያን ተሓለቕቲ መሰላት እቶም ነቲ ጎንጺ ዘካየዱ ስደተኛታት መንእሰያት፡ ብኹነታቶምን ብዝወርዶም ምትዂታኽን፡ ስምዒታቶም ከምዝንሃረ'ኳ እንተገለጹ፡ ፖሊስ ግን እቲ መጥቃዕቲ \"ዝተወጠነ ተግባራት\" ከምዝኾነ ዘመልክት ጭብጥታት ከምዘሎ'ዩ ዝገልጽ። ሓላፊ ፖሊስ እቲ ከባቢ ኣብ ዝሃቦ ቃል \"ነቲ መጥቃዕቲ ኣትሪረ እኹንኖ\" ድሕሪ ምባል፡ \"እቲ ተግባራት ከተመኽንየሉ ዘይትኽእል እዩ። ነቶም ነቲ ተግባር ዝፈጸሙ ንምልላይን ናብ ፍትሒ ንምቕራብን ዝኣከኣለና ኩሉ ክንገብር ምዃንና አረጋግጸልኩም\" ኢሉ። ነቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ናዕቢ ንምቁጽጻር ኣስታት 300 ኣባላት ፖሊስ ከምዘዋፈሩ ዝገለጸ እቲ ሓላፊ፡ ኣስታት 75 ኣብቲ መጥቃዕቲ ኢድ ነይሩዎም ዝበሎም ሰባት መንነቶም ከምዝተረጋገጸ ሓቢሩ። ነቲ ተቃውሞ ንምብታን በትርን ዘንብዕ በርበረን ከምዝተጠቐሙ'ውን ይገልጽ። ኣፈኛ ፖሊስ ጒዶ ሬህር፡ ብቀዳም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሰብመዚ ፖሊስ ነቲ ኩነታት ንምቁጽጻር እቲ ዝተመደበ ምርኢት ክስረዝ ምእዛዞም ገሊጹ ነይሩ። ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን ጀርመን ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ዝተሰረዘ ጽንብል ብምትሕብባር ቆንስል ኤርትራ ኣብ ፍራንክፈርትን ማእከላይ ሽማግለ ብዓላት ዝተወደበ ምዃኑ ይጠቅስ። እቲ ዝተወደበ \"ምርኢት\" (ኮንሰርት) ምንባሩ ብምጥቃስ ድማ \"ፈስቲቫል\" ከምዘይኮነ የነጽር። እቲ ንቡር ፈስቲቫል ኣቐዲሙ ካብ 9 ክሳብ 10 ሓምለ ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ \"ብዘይ ዝኾነ ጸገማት\" ከምዝተኻየ እቲ ኣብ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ዝወጸ መግለጺ ይሕብር። \"ናይ ምርኢት ኣዳላዊ ኣኽበርቲ ጸጥታ ክቖጽር ብ20-08-2022 ተሓቲቱ፡ ተማሊኡ ድማ\" ይብል። ዓርቢ 18 ነሓሰ፡ ነቲ ምርኢት ከይካየድ ብ7 ማሕበራት ዝቐረበ ሕጋዊ ጥርዓን ብቤት ፍርዲ ጊሰን ድሕሪ ምንጻጉ፡ ኣንጻር እቲ ምርኢት ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ብ20 ነሓሰ ንዝቐረበ ሕቶ ፖሊስ ፍቓድ ሂቡ። ወደብቲ ናይቲ ምርኢት፡ ኣብ ምድላው ተጸሚዶም እንከለዉ ግን እቲ \"ኩነታት [ናብ ዝኸፍአ ደረጃ] ዓሪጉ\" ድሕሪ ምባል፡ እቶም ነቲ ዝተባህለ ምርኢት ዝቃወሙ ዝነበሩ፡ ሓጹር ዘሊሎም ብምእታው ሰባት ክሃርሙ ጀሚሮም ኢሉ። ብሰንኪ'ዚ ድማ ሓያለ ሰባት ከምዝቖሰሉ ይጠቅስ። ተሳተፍቲ ኣብ ጎደና ክሓድሩ ከምዝተገደዱ ዝገልጹ እቶም ኣዳለውቲ፡ ፖሊስ ንተሳተፍቲ እኹል ሓለዋ ብዘይምግባሮም ብምንቃፍ፡ ነቲ ዝተወስደ ናይ ምስራዝ ውሳነ ነቒፎም። ኣንጻር እቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ገበናውን ሲቪላውን ክስታት ክምስርቱ ምዃኖም'ውን ኣፍሊጦም ኣለዉ። ፖሊስ \"ንኽብረት ጀርመናውያን-ኤርትራውያን ዜጋታት ግሂሶም ጥራይ ዘይኮነ፡ እኹል ሓለዋ'ውን ኣይገበርሎምን\" ክብሉ እቶም ወደብቲ ነቒፎም። ኣብዚ ቀረባ እዋናት ብመንግስቲ ኤርትራን ደገፍቱን ኣብ ወጻኢ ዝካየዱ ፈስቲቫላት ተቓውሞታትን ምትፍናናትን ክስዕቡ ምጽንሖም ይዝከር። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ጊሰን ዝተፈጥረ ጎነጽ ዝተሓወሶ ተቓውሞ ድማ መቐጸልታት’ዩ ክብሃል ይክኣል። እቲ ፍጻመ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ርሱን ክትዕ ዝፈጠረ ኮይኑ፡ ገለ ወገናት ነቶም ካብ ሃገሮም ክስደዱ ዝተገደዱ መንእሰያት ዝድግፉ ክኾኑ እንከለዉ፡ ገለ ድማ እቲ ተቓውሞ ብሕግን ዘይጎነጻዊ ኣገባብን ክኸውን ነይሩዎ ክብሉ ነቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ዝኹንኑ’ዮም። እቲ ዘጋጠመ ኩነታት ኣብ መንጎ ተቓወምቲ መንግስቲ’ውን ምፍልላይ ዝፈጠረ’ዩ ኮይኑ ዘሎ። ኣብ ሆላንድ ዝቕመጥ ጋዜጠኛን ተመራማርን ሃብቶም ዮውሃንስ፡ ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣብ ከተማ ጊሰን ዝተዳለወ ባህላዊ ምርኢት ጠጠው ንምባል ዝወሰድዎ ስጉምቲ ግዝያዊ ምኽንያት'ኳ እንተኾነ፡ ሰር እቲ ጠንቂ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቅልውላውንእ ምጥቃን ተቓወምትን ከምዝኾነ'ዩ ዝምጉት። \"እቶም ደለይቲ ፍትሒ ነቲ ፈስቲቫል ናይ ህግደፍ ጠጠው ከብሉ ፈቲኖም ምዃን ምስ ኣበዮም ናብቲ ቦታ ከይዶም ብጎንጺ ዘለዎ መንገዲ ኣብ መጨረስታ ጠጠው ከብልዎ ክኢሎም። ኣብ ብወገነይ፡ እቲ ጎንጺ ከም መትከል ኩሉ ግዜ ይቃወሞ'የ፡ ነገር ብሰላማዊ [ኣገባብ] ክፍታሕ ኣለዎ ኢለ'የ ዝኣምን። ግን እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ድማ ገሊኦም ኣብ ሰራዊት ኤርትራ መራሕቲ ሓይሊ ዝነበሩ፡ ገሊኦም መራሕቲ ጋንታ ዝነበሩን ተጋደልቲ ዝነበሩን እዮም። \"ካልእ ኣረኣኣእያ ስለዘለዎም ግን በቃ ወያነ'ዮም፡ ሽዩጣት እዮም እናበልካ ከተዋርዶም ጽቡቕ ኣይመስለንን። ሱር ናይዚ ኹሉ ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን ዘጋጠመ ኣምባጋሮ፡ እዚ ኹሉ ስደት፡ እዚ ኹሉ ማእሰርእቲ፣ ብዙሓት ካብቶም ክቡራት ኣቦታቶም ክወርሱ ኣይክኣሉን\"። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ግዱድን ገደብ ኣልቦን ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ምግሃስ መሰላት ብምህዳም ናብ ጀርመን እትርከበን ሃገራት ኣውሮጳ ከምዝኣትዉ ይፍለጥ። ሃብቶም ከምዝብሎ፡ \"ግራት ኣቦታቶም ክሓርሱ ኣይክኣሉን፡ ወለዶም ንበይቶም ኣብ ጽምዋ ዝርድኦም ዘይብሎም'ዮም ገዲፎም መጺኦም። ሕጂ እቲ ብኣኣቶም ወገን እቲ ንኸምዚ ዘቃልዖም ስልጣን ናብቲ ዘለውዎ ቦታ ስዒቡ ፈስቲቫል እናገበረ ኣንጻሮም ፈኸራን መደረን ክገብር ክርእይዎ እንከለዉ፡ እሞ ናይ ስደት ጩጉራፍ ክኣ እናጸርገፎም፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ክንርድኦም ኣለና። ዝሓትዎ ሕቶ ኣሎ፡ ክነብሩ ደልዮም፡ ንቡር መውስቦ ክገብሩ ደልዮም እዚ ኹሉ ኣይክኣሉን ሰሪሖም ክኣትዉ ደልዯም፡ ሰሪሖም ስድርኦም ክረድኡ ደልዮም እዚ'ውን ኣይክኣሉን\" ይብል። ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላትን ነጣፊ ማሕበራዊ ሚድያን ዝኾነ ኣቶ ሳምሶን ሰሎሙን ብወገኑ፡ እቲ ብምትሕብባር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ከተማ ጊሰን ክግበር ዝተሓስበ ፈስቲቫል ክቋረጽ፡ ሕጋዊ ምንቅስቓስ ጀሚሮም ምንባሮም ይዛረብ። \"እቲ ፕሮግራም ንኲናት ዘወዓውዕ ፕሮፖጋንዳ ዝሓዘለ ምዃኑ፡ እዚ ድማ ምስቲ ቅዋም ናይታ ሃገር ኣዝዩ ዝጻረር ምዃኑ ኢና ከነረድእ ፈቲንና። ኣጋጣሚ ኮይኑ እቲ ዘቕረብናዮ ጠለብ ተነጺጉ፡ ምኽንያቱ ባህላዊ ፈስቲቫል ተባሂሉ ስለዝተመዘነ። \"ካብዚ ሓሊፉ ግን ብድሕሪኡ እንታይ ድኣ ይገበር ምስ ተባህለ ኣብቲ ኣፍደገ ሰለማዊ ሰልፊ ክግበር ኩሉ ሰብ ተሰማሚዑ”። ሳምሶም፡ ፍትሒ ብፍትሓዊ መንገዲ ጥራይ’ዩ ክሰፍን ዘለዎ ዝብል መርገጺ ዘለዎ ኮይኑ፡ እቲ ጎንጺ ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን ምብትታን ንኽህሉ ዝገብር’ዩ ብምባል ነቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ከምዘይድግፎ ይገልጽ። “ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ እቶም ነዚ ጎነጽ ክገትእዎ ዝፈተኑ ደለይቲ ፍትሒ’ውን ጎነጽ ወሪድዎም እዩ፡ እዚ ድማ ምስ ፍትሒ ዝተሓሓዝ ዋላ ሓንቲ ነገር የብሉን\" ክብል ድማ ይዛረብ። “እቲ መንእሰይ ዋላ’ኳ ሕርቃን ይሃልዎ፡ ዋላ’ኳ ጓሂ ይሃልዎ፡ እዚ ዝተገበረ ነገር እንትርፎ ክሳራ፡ እንትርፎ ሰብ ክበታተንን ክተሃራረምን ዋላ ሓንቲ ዓወት የብሉን” ብምባል ድማ ይምጉት። ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ \"ብፍሉይ\" ጉዳይ ጥርናፈ ስድራቤታቶም ዓመታት ከምዝወስድን፡ ብሰንኩ ድማ ኣብ ከቢድ ስነኣእምሮኣዊን ቁጠባውን ቅልውላዉ ከምዝኣተዉ ከማርሩ ምጽንሖም ይፍለጥ። ነቲ ኣጋጢምዎም ዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ ካብ ኣብያተ ፍርዲ ክሳብ ኣብ ጎደናታት ሰላማዊ ሰልፍታት ብምክያድ ጥርዓናቶም ከቕርቡ ጸኒሖም'ዮም። መብዛሕትኦም፡ በቲ ሂወት ብዙሓት ብጾቶም ዝቐዘፈ ሓደገኛ ጉዕዞ ምድረበዳ ሳሃራ፡ መዳጎኒታት ሊብያን ማእከላይ ባሕሪን ሓሊፎም ዝኣተዉ እዮም።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c6p7yng65e2o"} {"headline":"ትዊተር ኣብ ልዕሊ ኢሎን መስክ ክሲ መስሪቱ","content":"ትዊተር፡ ቢልየነር ኢሎን መስክ ነቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ንክዕድጐ ዘገድድ ክሲ መስሪቱ። ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ መስክ፡ ኣብ ውዕሊ ዕድጊ ትዊተር ዝተጠቐሱ ብዙሓት ነገራት ስለ ዘይተኸበሩ ንትዊተር ብ44 ቢልዮን ዶላር ንምግዛእ ኣትይዎ ካብ ዝነበረ ስምምዕ ንገዛእ ርእሱ ከም ዘንሳሕበ ገሊጹ ነይሩ። ንሱ፡ ትዊተር ቑጽሪ ስኑዓት ገጻት ትዊተር ዝምልከት ሓበሬታ ኣይሃበንን ይብል። ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ፡ ቦርድ ትዊተር ነቲ ማሕበራዊ ሚድያ ንኤሎን መስክ ብ44 ቢልዮን ዶላር ንምሻጥ ተሰማሚዑ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ሕጂ ትዊተር፡ መስክ ነቲ ቅድም ኢሉ ንሓደ ብርኪ ትዊተር ብ54.20 ዶላር ንምዕዳግ ዝኣተዎ ውዕሊ ከፈጽም ቤት ፍርዲ ክእዝዞ ሓቲቱ ኣሎ። እቲ ትዊተር ኣብ ቤት ፍረዲ ዘቕረቦ ክሲ ድማ፡ “ . . . መስክ፡ ሓሳብ ድሕሪ ምቕራብን ውዕሊ ድሕሪ ምፍጻምን፡ ካብቲ ካልእ ኣካል ብዝተፈለየ ከም ዝደለዮ ሓሳቡ ክቕይር፣ ነቲ ኩባኒያ ከናሹ፣ ስራሕቱ ከሰናኽልን ዋጋ ብርኪ ኣዕንዩ ክወጽእን እየ ኢሉ ይኣምን” ይብል። ብተወሳኺ፡ ትዊተር መስክ ብርክት ዝበሉ ጥሕሰታት እቲ ስምምዕ ፈጺሙ’ዩ ብምባል ይኸሶ። ኣቦ መንበር ትዊተር በርት ቴይለር፡ እቲ ኩባኒያ “ኢሎን መስክ ንዝኣተዎም ግቡኣት ውዕሊ ተሓታቲ ክኸውን” ከም ዝደሊ ብትዊተር ሓቢሩ። መስክ ብወገኑ፡ “እኒአኻ ግርምቢጥ [ሰሓቕ]” ብምባል ትማሊ ኣብ ትዊተር መልሲ ሂቡሉ። ትዊተር፡ መስክ እቲ ስምምዕ “ንውልቃዊ ድልየታቱ” ስለ ዘየገልገሎ ካብቲ ስምምዕ ኣድሐርሒሩ ክብል ይኸስስ። ኢሎን መስክ፡ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ኩባኒያ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ቴስላ እዩ። ትዊተር፡ መስክ ምስቲ ኩባኒያ ውዕል ምስ ፈጸመ፡ ኣብ ቴስላ ዝነበረ ብርክታት ከም ዝጐደለ ብምግላጽ፡ “መስክ ኣብ ቴስላ ዘለዎ ብጽሒት ብልዕሊ 100 ቢሊዮን ዶላር ነክዩ። ስለዚ መስክ ክወጽእ ደልዩ። ኣብ ትዊተር ዝነበሮ ብጽሒት ድማ ናብ ካልእ ከዝሮ ደልዩ” ይብል። ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ ዋጋ ብጽሒት ትዊተር ብሸሞንተ ሚኢታዊት ጐዲሉ። ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ መስክ ኣብ ትዊተር ዘለው ስኑዓትን ‘ስፓም’ ገጻት ዝምልከት መረዳእታ ክሳብ ዝረክብ እቲ ውዕል ዕድጊ “ንግዝኡ ጠጠው” ከም ዝበለ ምስ ገለጸ ዋጋ ሓደ ብርኪ ብልዕሊ 50 ዶላር ወሲኹ። እቲ ናይ መጀመርታ ኣብ እዋን ምፍልላይ ዝኽፈል ሓደ ቢሊዮን ዶላር ዘካተተ እዩ። ስፓም ዝኾኑ ገጻት ትዊተር ሓደ ተመሳሳሊ ሓበሬታ ብዘይ ናይቲ ተቐባሊ ፍቓድን ኣፍልጦን ንብዙሓት ሰባት ዝልእኹ ክኾኑ እንከለዉ ስኑዓት ገጻት ድማ ልክዕ ብዘይኮነ መንነት ዝኽፈቱ ገጻት እዮም። ትዊተር መዓልታዊ ከምኡታት ዝመሰሉ ሓደ ሚልዮን ገጻት ክኣሊ’የ ኢሉ መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ። መስክ ንትዊተር ድሕሪ ምዕዳጉ፡ እቲ ትካል ንዝልጠፉ ጽሑፋት ዝቆጻጸረሉ መገዲ ከላሕልሖ ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ። ኤሎን መስክ ምስ ትዊተር ውዕሊ ኣብ ዝኣሰረሉ ግዜ “ናጻ ሓሳብ መሰረት ዴሞክራሲ’ዩ፣ ትዊተር ድማ ኣብ መጻኢ ህይወት ደቂ ሰባት ኣገደስቲ ዝኾኑ ዛዕባታት ክትዓት ዝግበረሉ ድጅታላዊ ኣደባባይ’ዩ” ኢሉ።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3gn5edd42go"} {"headline":"ሰኔት ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታት ፈላማይ እማመ ቁጽጽር ኣጽዋር ኣጽዲቑ","content":"ሰኔት ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ ሰለሳ ዓመታት ዝሓየለ ዝተባህለ እማመ ቍጽጽር መሳርሒታት ኲናት ኣጽዲቑ፡፡ ኣብቲ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ኮንግረስ ዝተኻየደ መስርሕ ምሃብ ድምጺ፡ 15 ኣባላት ሰልፊ ሪፖብሊካን ነቶም ነቲ ሕጊ ክወጽእ ዝቃለሱ ዘለዉ ዴሞክራት ክድግፉ እንከለው፡ እቲ እማመ 65 ን 33 ብዝዀነ ድምጺ ሓሊፉ ኣሎ፡፡ እቲ እማመ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ሓደ ዕዳጋን ኣብ ቴክሳስ ኣብ ዝርከብ መባእታ ቤት ትምህርትን ዝተፈጸሙ ህይወት 31 ሰባት ዘጥፍኡ ጃምላዊ ቅትለታት ስዒቡ ዝወጽእ ዘሎ እዩ፡፡ እዚ እማመ፡ ብፕረዚደንት ባይደን ሕጊ ኮይኑ ቅድሚ ምጽዳቑ ግን፡ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ክጸድቕ ኣለዎ፡፡ እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልቲታት ክፍጸም ይኽእል እዩ፡፡ እንተዀነ እቲ እማመ ክንዲ እቲ ብዙሓት ኣባላት ሰልፊ ዴሞክራትን ጐስጎስትን ዝሓሰብዎ ከም ዘይኰነ እዩ ዝግለጽ፡፡ እቲ ምምሕያሽ፡ ኣጽዋር ኣብ ዝገዝኡ ትሕቲ 21 ዝዕድመኦም ሰባት ጥቡቕ ምጽራይ ድሕረ ባይታ ምግባር፣ ንመደባት ጥዕና ኣእምሮን ምምሕያሽ ድሕነት ኣብያተ ትምህርቲ ዝውዕል ናይ 15 ቢልዮን ዶላር ፈሰስን ዘጠቓልል እዩ፡፡ ብተወሳኺ፡ ግዝኣታት ኣመሪካ ስግኣት ኢለን ካብ ዝሓሰባኦም ውልቀሰባት፡ ዕጥቂ ከፍትሓ ዝገብር ሕጊ ንምትግባር ሓገዝ ክረኽባ ዘበራትዕ እውን እዩ፡፡ ኣብ ልዕሊ መጻምዶም መጥቃዕቲ ንዝፍጽሙ ዘይተመርዓዉ ሰባት'ውን ኣጽዋር ኲናት ክገዝኡ ኣይክፍቀደሎምን፡፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ኣጽዋር ቁጽጽር ንምክያድ ዝወጽኡ እማመታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብኣባላት ሪፐብሊካን ክንጸጕ ዝጸንሑ ኰይኖም፡ ክንድ'ቲ ናይ ሎሚ፡ ካብ ሰልፊታት ዴሞክራትን ሪፐብሊካንን ድጋፍ ረኺቦም ኣይፈልጡን፡፡ ነቲ እማመ ዝደገፉ ሰናተራት፡ እቲ እማመ ሕጊ ኰይኑ እንተጸዲቑ፡ ኣመሪካ ‘‘ዝሓሸት ውሕስቲ’’ ከም ዝገብራ ይገልጹ፡፡ ‘ጋን ሴፍቲ ግሩፕ’ ዝተባህለ፡ ኣብ 2018 ካብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዝተረፉ ሰባት ዝተመስረተ ትካል፡ ነቲ እማመ ክድግፍ እንከሎ ማሕበር ወነንቲ ኣጽዋር ኣመሪካ (ኤን ኣር ኤ) ግና እቲ እማመ ለውጢ ኣየምጽእን ብምባል ተቓዊምዎ፡፡ ኣመሪካ ካብ ሃብታም ሃገራት፡ ዝለዓለ መጠን ብኣጽዋር ዝፍጸም ቅትለት ዝምዝገበላ ሃገር እያ፡፡","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c25wpd1lq1vo"} {"headline":"ክድለ ዝጸንሐ ቈልዓ ድሕሪ 8 መዓልታት ኣብ ቱቦታት መተሓላለፊ ርስሓት ተረኺቡ","content":"ኣብ ጀርመን ደሃይ ኣጥፊኡ ክድለ ዝቐነየ ቈልዓ፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣብ ቱቦታት መተሓላለፊ ርስሓት ብህይወት ተረኺቡ። እቲ ‘ጆ’ ተባሂሉ ዝተጠቕሰ ወዲ 8 ዓመት፡ ብ17 ሰነ 2022 ኣብ ከተማ ኦልደንበርግ ካብ ዝርከብ ገዝኡ ድሕሪ ምጥፍኡ፡ ንምርካቡ ዓብዪ ወፍሪ ክካየድ ቀንዩ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ከኣ፡ ሓደ ሓላፊ መገዲ ካብ ሓደ ጉድጓድ ድምጺ ሰሚዑ ቁሊሕ ምስ በለ ተረኺቡ። ኢድ ሰብ ከይተሓወሶ ኣይተርፍን’ዩ ብምባል መርመራ ከካይዱ ዝቐነዩ ፖሊስ፡ እቲ ቈልዓ ኣብታ ዝጠፍኣላ መዓልቲ ናብቲ ቱቦ ብምእታው ጥራይ ተሰዊሩ ምቕናዩ ገሊጾም ኣለዉ። ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ካብቲ 300 ሜትሮ ካብ መንበሪ ገዝኡ ርሒቑ ዘሎ ረሳሕ ቱቦ ምስ ኣውጽእዎ፡ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ። ዕድል ገይሩ ግን ብክቱር ቀዝሒ ዝስዕብ “ሃይፐርተርሚያ” እንተዘይኰይኑ ዝኾነ ጉድኣት ከም ዘይወረዶ ጸብጻባት ሓቢሮም። ፖሊስ፡ ምርካቡ ብወግዊ ኣብ ዝገለጽሉ እዋን “ወዲ ሸሞተ ዓመት ጆ ይነብር” ክብሉ ኣብ ትዊተር ኣበሲሮም። “ካብ ህዝቢ ብዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ንጆ ኣብ ስርዓተ-መተሓላለፊ ርስሓት ክንረኽቦ ኪኢልና” ክብል ሓላፊ ፖሊስ ጆሃን ኩመ ተዛሪቡ። “እቲ ዝያዳ ዘገድስ ብህይወት ምህላዉን ብህጹጽ ናብቲ ውሕስነት ዝረኽበሉ ሆስፒታል ምውሳዱን’ዩ። ሕጂ ናይ ሩፍታ እስትንፋስ ከነተንፍስ ንኽእል ኢና”። ወላዲ እቲ ቆልዓ ብወገኑ፡ ንማዕከናት ዜና እቲ ከባቢ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ነቲ ዘጋጠሞ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ጆ “ደሓን ኣሎ” ኢሉ። ከመይ ኢሉ ናብቲ ቱቦ ከም ዝኣተወ ዝተፈላለየ ግምታት’ኳ ክወሃብ እንተተሰምዐ፡ ፖሊስ ብሰሉስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ግን፡ እቲ ቆልዓ ተንፋሒኹ ድሕሪ ምእታዉ ክምለስ ዓቕሚ ከም ዝሰኣነ ሓቢሮም።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cx9ynxng88no"} {"headline":"ንግስቲ ክሪፕቶ'፡ 4 ቢልዮን ዶላር ብምትላል ብኤፍ.ቢ.ኣይ ትድለ ኣላ","content":"እታ ተሰዊራ ዘላ “ንግስቲ ክሪፕቶ\"፡ ሮጃ ኢግናቶቫ፡ ካብቶም ብኤፍ.ቢ.ኣይ 'ብልዑል ዝድለዩ '10 ውልቀሰባት ሓንቲ ኰይና ኣላ። ኣብ ፈለማ ኣርባዓታት ዕድመ ከም እትርከብ ዝንገረላ፡ ቡልጋርያዊት ዜጋ፡ ገንዘብ ንምትላል ሓያል ውዲት ገይራ ተባሂላ ተኸሲሳ ኣላ። መርመርቲ ፌደራል ኣመሪካ ከምዝበልዎ፡ እታ ጥርጥርቲ ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት 4 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ገንዘብ ተቐቢላ ከምዝጓሓለት ይግለፅ። ካብ 2017 ጀሚራ ዝተሰወረት ሩጃ ኢግናቶቫ፡ ካብ ፖሊስ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ወጺኡላ፡  ክትትል ይግበረላ ኣሎ። ንሳ፡ ኣብቲ ኣብ 2014 ዝተጀመረ ዲጂታላዊ ክሪፕቶካረንሲ 'ዋን ሳንቲም' ኢድ ከምዘለዋን፡ ብዙሓት ዓደግቲ ብዘእተዉ መጠን ድማ ዝያዳ ኮሚሽን ከምዝወሃቦም እዩ ዝገልጽ። ይኹን እምበር፡ ኤፍ.ቢ.ኣይ፡ ዋንኮይን \"ዘይረብሕ\" ምዃኑን፡ ከም'ቶም ካልኦት ዓይነታት ክሪፕቶካረንሲታት፡ ውሕስነት ከምዘይብሉን ገሊጹ። ዓቃቢ ሕጊ ዳምያን ዊልያምስ፡ \"እታ  ጥርጥርቲ ንምትላል ዝጥዕም ጽቡቕ ግዜ መሪጻ\" ክብል ይዛረብ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኤፍ.ቢ.ኣይ፡ ነታ ውልቀሰብ ኣብ ዝርዝር ‘ኣዝዮም ዝድለዩ’ ኣእትዩዋ ኣሎ፡ እዚ ድማ ዜጋታት ነታ ጥርጥርቲ ንኸለልይዎ ክሕግዞም ምዃኑ ይእመን። ኣብ 2019 ሸሞንተ ዓይነት ክስታት ዝቐረቡላ ኢግናቶቫ፡ እትርከበሉ ቦታ ንዝሓበረ ሰብ፡ ናይ 100 ሺሕ ዶላር ሽልማት ንምሃብ ቃል ተኣትዩ ኣሎ። ንሳ፡ ኣብ ዝርዝር 10 ተደለይቲ  ኤፍ.ቢ.ኣይ ዝኣተወት እንኮ ጓል ኣንስተይቲ እያ። ኣብዚ ዝርዝር ምእታዋ ኣብ ቀይዲ ናይ ምእታው ዕድላ ከም ዘስፈሖ ይንገር። እቲ ጉዳያ ዝሓዘ መርማሪ፡ እታ ጥርጥርቲ መንነታ ንምልዋጥን ንርእሳ ንምስዋርን፡ ኣስታት 500 ሚልዮን ዶላር ከምዘውጸአት ዝተዛረበ ዀይኑ፡ እዚ ድማ ምርካባ ከቢድ ከም ዝገበሮ ኣንፊቱ። እታ ልዑል ደረጃ ናይ ምስዋርን ናይ ሓሶት መንነት ናይ ምልባስን ተኽእሎ ከምዝለዋ ዝንገረላ መታለሊት፡ ብህይወት’ውን ዘይክትህሉ ትኽእል'ያ ተባሂሉ ይግመት። እታ \"ዝጠፍአት ንግስቲ ክሪፕቶ\" ንመወዳእታ ግዜ ካብ ቡልጋርያ ናብ ግሪኽ ኣብ እትኸደሉ ዝነበረት እዋን ኣብ 2017 እያ ተራእያ፡ ካብ ሽዑ ጀሚራ ግን ኣሰራ ኣይተረኽበን።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cpe1zw9dxlxo"} {"headline":"ዶናልድ ትራምፕ፡ 'ኤፍ.ቢ.ኣይ ናብ ገዛይ ማዕጾ ሰቢሮም ኣትዮም'","content":"ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ፍሎሪዳ ዝርከብ ገዝኡ ብኤፍ.ቢ.ኣይ (ፌደራል ቢሮ መርመራ) ከምዝተዘምተን ማዕፅኡ ከምዝተሰብረን ገሊጹ። ዋላእኳ ኤፍ.ቢ.ኣይ ይኹን ሚኒስቴር ፍትሒ መንበሪ ገዛ ትራምፕ ከምዝተዘመተ እንተዘይኣረጋገፀ፤ ድሕሪ እቲ ፍተሻ፡ ትራምፕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ፖሊስ መንበሪ ገዝኡ ከምዝኸበብዎን ደጊሞም ከምዝፈተሹን ሓቢሩ። እቲ ናይ ትማሊ ሰኑይ ተጓንፎ፡ ምስ ኣተሓሕዛ ሕጋዊ መዛግብቲ ትራምፕ፡ ዝምልከት ምርመራ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ይግለጽ። ትራምፕ ግን ዳግም ንዋይት ሃውስ ንኸይወዳደር ፖሊስ ነቲ ፍተሻ ከምዘካየደ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። መግለጺ ትራምፕ፡ \"እዚ ንሃገርና ጸልማት እዋን'ዩ። ቅድሚ ሕዚ ከምዚ ዓይነት ነገር ኣብ  ልዕሊ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣጋጢሙ ኣይፈልጥን\" ኢሉ። ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ በዓል ስልጣን ኣኽባሪ ሕጊ ግና፡ ንወኪል ቢቢሲ ኣሜሪካ ዝኾነ ሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንሚስጢራዊ ኣገልግሎት ከምዝተሓበረን፡ ኣባላት ሓለዋ ዶናልድ ትራምፕ ድማ ምስ መርመርቲ ኤፍ.ቢ.ኣይ ከም ዝተሓባበሩ ሓቢሩ። ብዙሕ ሳንዱቕ ከምዝተወሰዱ ዝገለጸ እቲ ምንጪ፡ ዝኾነ ማዕጾ ከምዘይተሰብረን፡ እቲ ተፍትሽ ኣጋ ምሸት ከም ዝተዛዘመን ሓቢሩ። ናይ ፌደራል ናይ ምፍታሽ ትእዛዝ ብዳኛ ክፍረም ኣለዎ። ከምዚ ዓይነት ትእዛዝ፡ ትራምፕ ገበናዊ ክሲ ክቐርብሉ ከምዝኽእል ዝሕብር'ኳ እንተዘይኮነ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ፡ መጀመርያ ናይ ‘ዘይሕጋውነት’ መርትዖ ከቕርቡ ኣለዎም። ዓቃቢ ሕጊ ግዝኣት ፓልም ቢች ካውንቲ ዴቭ ኣሮንበርግ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንታት ነበር፡ ከምዚ ዓይነት ፍጻመ ተራእዩ ኣይፈልጥን” ክብል ገሊጽዎ። ፕረዚደንታት ኣመሪካ፡ ብሕጊ መዛግብቲ ፕረዚደንት (PRA) ኩሉ ደብዳቤታቶም፣ ሰነዳት ስራሕን ኢመይሎምን ናብ ሃገራዊ ማህደር (NA) ከሰጋግሩ ይግደዱ። ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ሃገራዊ ማህደር፡ ካብ ማር-ኣ-ላጎ 15 ሳንዱቕ ወረቓቕቲ ከም ዝረኸበን ትራምፕ ካብ ዋይት ሃውስ ክወጽእ ከሎ ከረክብ ከምዝነበሮን ገሊጹ ነይሩ። ድሒሩ፡ እቲ ትካል ንኮንግረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ሳንዱቓት \"ምስጢራዊ ሃገራዊ ሰነዳት\" ሒዞም ከምዝነበሩ ሓቢሩ። ጠበቓ ትራምፕ ክርስቲና ቦብ፡ ንኤንቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ በቲ ተፍትሽ ገለ ሰነዳት ከም ዝተታሕዙ ገሊጻ። እዚ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ዝካየድ ዘሎ ምጽራይ ሕጊ፡ ሪፓብሊካን ኣብ 2024 ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንኽነሓንሑ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን'ዩ። ትራምፕ ምስቲ መንግስታዊ ሰነዳት ብዝተኣሳሰር ገበን እንተተፈሪዱ፡ ዳግማይ ንምርጫ ከይወዳደር ክኽልከል ይኽእል እዩ። ዜና ናይቲ ዘመተ ግና፡ ንገለ ደገፍቲ ዶናልድ ትራምፕ ክተኣኻኸቡን ዳግም ክውደቡን ምኽንያት ኮይኑዎም ኣሎ። ደገፍቱ ኣብ ደገ ማር-ኣ-ላጎ ተኣኪቦም ባንዴራታት ከንበልብሉን ቁጥዐኦም ክገልጹን ተራእዮም። ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ተወከልቲ ውድብ ሪፐብሊካን ድማ፡  ከምቲ ገለ መለኽቲ ኣብ ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ዝገብርዎ፡ እቲ ስርዓት ፍትሒ፡ መሳርሒ ፖለቲካ ይኸውን ኣሎ ክብሉ ተቓውሞኦም የስምዑ ኣለዉ። ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ ኩሎም ዝምልከቶም መንግስታዊ ትካላት ከም ዝተሓባበር ብምግላጽ፡ \"ኣብ ልዕሊ ገዛይ ዝተፈጸመ ሃንደበታዊ ወራር ኣድላዪ ወይ ግቡእ ኣይነበረን\" ኢሉ። ንሱ፡ዳግማይ ንዋይት ሃውስ ንከይወዳደር፡ ብኣግኡ ዝካየድ ምትዕንቓፍ ገይሩ ከምዝቖጽሮ’ውን ከሲሱ። \"ናብ ገዛይ ማዕጾ ሰቢሮም ኣትዮም!\" እቲ ፕረዚደንት ነበር፡  ኣብቲ ኣብ ገዝኡ ተፍትሽ ዝተፈጸመሉ እዋን፡ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ትራምፕ ታወር እዩ ነይሩ። ስም ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ ብዙሓት ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ዝተኣሳሰር ኮይኑ ኣሎ። ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ዝሓቖፈት ኮሚቴ፤  ትራምፕ ኣብቲ ኣብ መባእታ 2021 ኣብ ካፒቶል ሂል ዝተፈጸመ ናዕቢ ዝነበሮ ኢድ  ይምርምር ኣሎ። ኣባላት ባይቶ ንውጽኢት ምርጫ ናይቲ ኣብ 2020 ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ዝተዓወተ ጆ ባይደን ንምጽዳቕ ኣብ ዝዳለዉሉ መዓልቲ፡ ብርክት ዝበሉ ደገፍቲ ትራምፕ ካፒቶል ሂል ወሪሮም ነይሮም። ሚኒስቴር ፍትሒ ኣሜሪካ እውን እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ውፅኢት መረፃ 2020 ምቕባል ዝኣበየሉ ምኽንያታት ይምርምር ኣሎ። ሓደ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ግዝኣት ጆርጅያ ድማ፡ ትራምፕን ኣማኸርቱን ኣብ ውጽኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ እታ ግዝኣት 2020 ጽልዋ ከሕድሩ ፈቲኖም ድዮም ኣይፈተኑን ይምርምር ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ትራምፕ ምስ ምትላልን ተንኮከልን፣ ምዕናው ንብረትን ጾታዊ ትንኮሳን ብዝተኣሳሰር ክስታት ይቐርበሉ ኣሎ። ትራምፕ ግን ብዝኾነ ነገር ገበነኛ ከምዘይኮነ ይዛረብ።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c0xne00g0wzo"} {"headline":"ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ነበር ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ማሞ ብዋሕስ ተፈቲሑ","content":"ሓፈሻዊ ቤት ፍርዲ ክልል ኣምሓራ፡ ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ማሞ ብ 30,000 ብር ዋሕስ ካብ ማእሰርቲ ክፍታሕ ድሕሪ ምውሳኑ ትማሊ ዓርቢ ከም እተፈትሐ ጠበቓኡ በሙሉ ታደሰ ንቢቢሲ ሓቢሩ። እቲ ናይ ዓርቢ መጋባእያ፡ ብሓሙስ ንዝቐረበ ናይ ውሕስና ጠለብ ብምርማር ብይን ንምሃብ እዩ ቈጸራ ሒዙ ነይሩ። በዚ ከኣ ብሪጋደር ጀነራል ተፈራ ማሞ በቲ ዝተጠርጠረሉ ገበን ሽበራ ብ30 ሽሕ ብር ዋሕስ ክፍታሕ እቲ ቤትፍርዲ በዪኑ። ኣብቲ ብሓሙስ 2 ሰነ 2014 (ኣቈጻጽራ ግእዝ) ዝወዓለ መጋባእያ፡ ዓቃብ ሕጊ፡ ብሪጋደር ጀነራል ተፈራ ማሞ ብሽብርን ብኻልእ ተደራራቢ ገበናትን ስለእተጠርጠረ፡ ክሲ ንምምስራት 15 መዓልታት ክወሃቦ ሓቲቱ ነይሩ። ጠበቕኡ ግን እቲ ክሲ ሽበራ ብፍሉይ፡ ዋሕስ ዝኸልእ ስለዘይኮነ ብዋሕስ ክፍታሕ ናይ ምጉት ሓሳብ ምቕራቡ ገሊጹ። ቤት ፍርዲ ነቲ ሓሳባት ድሕሪ ምስማዕ ብመሰረት ኣዋጅ ሽበራ 1176\/2012፡ ብፍሉይ ኩነታት ውሕስነት ዘይክልክል ብምዃኑ ብ30 ሽሕ ብር ክፍታሕ ኣብ ውሳነ ከምዝበጽሐ ተፈሊጡ። እቲ ጠበቓ ንቢቢሲ ከምዝገለጾ እቲ ጀነራል ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ እዩ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሑ። ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተሰወረ ዝተገለጸ እቲ ጀነራል፡ ‘ነቲ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ብሓይሊ ንምውራድ ፈቲኑ’ ብዝብል ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ፖሊስ ምሕባሩ ይዝከር። ብሓይልታት ጸጥታ ብኣስገዳድ ካብ ኣዲስ ኣበባ ተዓፊኑ ብሄሊኮፕተር ናብ ከተማ ባህርዳር ከምእተወሰደ ክግለጽ እንከሎ፣ ኣብቲ እዋን ማህረምቲ ከምዝበጽሖ ጠበቕኡ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ኔሩ። ንሱ በዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ቆልዑን ኮይኑ፡ ካብቲ ዝነብረሉ ባህርዳር ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጽአ ኣብ ኣእጋሩ ንዘሎ ጠያይቲ ብዝምልከት ሕክምናዊ ክንክን ንምግባር ምንባሩ በዓልቲቤቱ ወይዘሮ መነን ሃይሌ ንቢቢሲ ምግላጻ ዝዝከር እዩ። ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮይኑ ንዓመታት ከም ላዕለዋይ መኮንን ዘገልገለ ብሪጋደር ጀነራል ተፈራ ማሞ፡ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ዕልዋ መንግስቲ ንምፍጻም ተሊምካ ብዝብል ምስ ካልኦት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ተከሲሱ ንዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ጸኒሑ እዩ። ምምሕዳር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፡ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሑ ኣብ ዝተፈላለየ ሓላፍነት ከገልግል ጸኒሑ። ኣብ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ሓይልታት ትግራይ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ዝደፍኡሉ እዋን ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ብምዃን ክመርሕ እንከሎ፣ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ግና ካብ መዝነቱ ከምዝተኣለየ ተገሊጹ።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2mlp8p2veo"} {"headline":"ኮሚሽነር ኮምሽን ምሕደራ ስግኣት ሓደጋታት ኢትዮጵያ ኣቶ ምትኩ ካሳ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ","content":"ኮሚሽነር ኮምሽን ምሕደራ ስግኣት ሓደጋታት ኢትዮጵያ ኣቶ ምትኩ ካሳ ምስ ብልሽውና ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ሃገራዊ ማዕከናት ዜና ሓቢረን። ፖሊስ ፌደራል፡ ነቲ ብገበን ብልሽውና ዝተጠርጠረ ኮሚሽነር ምትኩ ሎሚ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ተሓቢሩ። ኣብ ፖሊስ ፌደራል፡ ሓላፊ ምፅራይ ገበን ብልሽውና ዝኾነ ሓጋዚ ኮሚሽነር ታደሰ ኣያሌው፡ ኣቶ ምትኩ ምስ ሓደ ትካል ገባሪ ሰናይ ውሽጢ ዓዲ ብምትሕብባር፡ ፈጺሙዎ’ዩ ብዝተባህለ ገበን ብልሽውና ከም ዝተጠርጠረ ገሊጹ። እቲ ገበን፡ ምስ ወናኒ “ኤልሻዳይ” ዝተባህለ ትካል ግብረ ሰናይ ብምምስጣር ዝተፈጸመ’ዩ ክብል ንሃገራዊ ቴሌቪዥን ተዛሪቡ። ኣቶ ምትኩ፡ እቲ ትካል ግብረ ሰናይ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘየለው ተመዛበልቲ ከም ዘለው ብምምሳል ንዘቕርቦ ሕቶ ዝተፈላለዩ ቀረባት ክወሃቦ ገይሩ’ዩ ዝብል ክሲ ቐሪብሉ ኣሎ። ንናይ ሓሶት ሕቶ ተሓገዝቲ ስዒቡ ዝቐርብ ረድኤት እኽልን ኣልባሳትን ድማ በቲ ገባሪ ሰናይ ምስተሸጡ እቲ ገንዘብ “መግዝኢ መንበሪ ገዛ እቲ ጥርጡር” ከም ዝወዓለ ፖሊስ ብመርመራ ኣረጋጊጹ ክብል ኮሚሽነር ታደሰ ገሊጹ። ኣቶ ምትኩ ካሳ ንዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ኮሚሽነር ኮምሽን ምሕደራ ስግኣት ሓደጋታት ኢትዮጵያ ኮይኑ ከገልግል እንከሎ፡ እቲ ኮሚሽን ብዝተፈላለዩ ተፈጥሮኣውን ሰብ ሰርሖን ሓደጋታት ንዝተጐድኡ ዜጋታት ዝእከብ ረድኤት ናይ ምትሕብባር ስራሕቲ ይውግን። እቲ ኮሚሽነት ኣብ ቀይዲ ቅድሚ ምእታዉ፡ ፖሊስ \"ሰፊሕ ክትትል ከካይድ ከምዝፀንሐ\" ሓቢሩ'ሎ። እዚ፡ ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሓደ በዓል መዚ ዝተኸፍተ ዝለዓለ ክሲ ብልሽውና እዩ። ኣብ ክልል ደቡብ ፍሉይ ቦታ ይርጋለም ዝተወለደ ኣቶ ምትኩ፡ ናብዚ ናይ ኮምሽነርነት ስልጣን ቅድሚ ምምፅኡ፡ ኣብቲ ክልል ሓላፊ ክፍሊ ምትሕብባር ስራሕቲ ውሕስና መግቢ ብምዃን ኣገልጊሉ ነይሩ። ኣብ 2019 ከኣ ኣብ ትሕቲ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ተጣይሹ ኣብ ዝነበረ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት ተፈናቐልቲ ውሽጢ ዓዲ ብኣባልነት ተመሪፁ። ንዝሓለፉ 7 ዓመታት ድማ ብኮሚሽነርነት ምሕደራ ስግኣት ሓደጋታት ኢትዮጵያ ክሰርሕ ፀኒሑ።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crgn9ml449lo"} {"headline":"ሞይቱ ዝተረኽበ መንእሰይ ኤርትራዊ ስደተኛ ምዃኑ ተረጋጊጹ","content":"ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ኣብ ሓደ ኣገራብ ዝበዝሖ ቦታ ሞይቱ ዝተረኽበ መንእሰይ ኤርትራዊ ስደተኛ ምዃኑ ፖሊስ ሓቢሩ። ሬሳ ናይቲ ብተደጋጋሚ ብኻራ ተወጊኡ ዝተቐትለ መንእሰይ ብሓሙስ ሰዓት 07፡30 ናይ ንጉሆ ካብ ከተማ ለንደን ንሰሜን ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ስቲቨነጅ ዝተባህለ ቦታ ተረኺቡ። ወዲ 20 ዓመት በረኸት ሰለሙን፡ ትሕቲ ዕድመ ኮተቴ ኮይኑ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተወን ዑቕባ ዝተዋህቦን ምንባሩ ፖሊስ ሀርትፈርድሸር ጠቒሱ። መበገሲ ናይቲ \"ጨካን መጥቃዕቲ\" እንታይ ምዃኑ ክርድኦም ከምዘይክኣለ፡ ኣፈኛ ፖሊስ ተዛሪቡ። መቕርቡ ከምዝተሓበሩን፡ ኣብ ሓዘኖም ዝድግፎም ኪኢላ ኣባል ፖሊስ ከምዝተመደበሎምን እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ። ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ስድራቤቱ'ውን ብዛዕባ ሞቱ ከምዝሰምዑ ፖሊስ ሓቢሩ'ሎ። መርማሪ ገበናት ኢያን ማክፐርሰን ኣብ ዝሃቦ ቃል \"መበገሲ ናይዚ ኣብ ልዕሊ'ዚ ንእሽቶ መንእሰይ ዝተፈጸመ ጨካን መጥቃዕቲ ክሳብ ሕጂ ክርድኣና ኣይክኣለን ዘሎ\" ኢሉ። \"እቲ በረኸት ኣካሉ ዝኾነ ማሕበረኮም ኤርትራውያን መልሲ ክህሉ ከምዝኽእል ግን ዕግበት ኣለኒ\"። ካልእ ሓላፊ ፖሊስ ግሬም ዎልሲንግሃም ብወገኑ፡ ብኻራ ዝፍጸም ገበናት \"ኣብ ስቲቨነጅ ኣዝዩ ብዕቱብ'ዩ ዝርአ\" ይብል። ኣብቲ ከባቢ ውሕስነት ጸጥታ ንምስፋን ኣባላት ፖሊስ ናብ ኣብያተ -ትምህርቲ ብምኻድ፡ ብዛዕባ ብኻራ ዝፍጸም ገበናት ይኹን፡ ናይ ዕስለ ገበናት ንቕሓት ንምፍጣር ጎስጓስ ከምዘካይዱ ገሊጹ። ነበርቲ እቲ ካባቢ ንዝህብዎም ደገፋት'ውን እቲ ሓላፊ ንኢዱ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ፈረንሳን ጀርመንን ኤርትራውያን መንእሰያት ከምዝተቐትሉ ዝገልጹ ጸብጻባት'ውን ንብዙሓት ኤርትራውያን ኣሰንቢዱ ምህላዉ ይግለጽ።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ce7nxwxp977o"} {"headline":"ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት ቦምባ ተፈንጂሩ","content":"ኣብታ ርእሰከተማ ክልል ኣምሓራ ዝኾነት ባህርዳር፡ ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት ቦምባታት ከምዝተፈንጀሩ ፖሊሲ ሓቢሩ። ኮሚሽን ፖሊስ ናይቲ ክልል ከምዝበሎ፡ እቲ ነትጒ ትማሊ ሰኑይ ናይ ምሸት ከምዘጋጠመን፡ ኣብ ምሩጻት ዒላማት ከምዝተኻየደን ጠቒሱ። እንተኾነ ግን ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝወረደ ጉድኣት የለን። ምስቲ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ ዝተጠርጠሩ ውልቀሰባት ኣብ ቀይዲ ኣእትዮም ከምዘለዉ ፖሊስ ገሊጹ'ሎ። ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ \"ህዝቢ ንምሽባር ዝዓለመ ገበን ንምፍጻም ዝደለዩ ሓይልታት ኣብ ውሽጢ ከተማ ባህርዳር፡ ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት ቦንባ ፈንጂሮም\" ክብል ተዛሪቡ። ብድሕሪ'ቲ ፍጻመ፡ ፖሊስ ነቲ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ንዝጠርጠሮም 6 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ኮማንደር መሰረት ደባልቄ ኣፍሊጡ። ካልኦት 14 ኣብቲ መጥቃዕቲ ተሓባቢሮም ዝተባህሉ ሰባት'ውን ብትካላት ጸጥታ ክልልን ፈደራልን መርመራ ይካየደሎም ኣሎ። ምስቶም ዝተታሕዙ ውልቀሰባት 2 ቦምባ፡ 3 ብሬን፡ ሓደ 'ስናይፐርእ' ('ቀጭ-ሕርሙ') ከምኡ'ውን ዝተፈላለዩ ዓይነታት ጥይት ከምዝተረኽበ ፖሊስ ገሊጹ'ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብቲ ክልል ብዝተኻየደ ‘ወፍሪ ምኽባር ሕጊ’ ልዕሊ 12 ሽሕ ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cp63ywpz9wno"} {"headline":"ኣብ ዝኽሪ ግዳያት ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝሳዕስዐት ዛምቢያዊት ማእሰርቲ ሓሙሽተ ዓመት ይፅበያ","content":"ኣብ ሩስያ ኣብ ከተማ ካንቲ ማንሲስክ፡ ንዝኽሪ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝሞቱ ሰባት ኣብ ዝተተኽለ ሓወልቲ ዝሳዕሰዐት ዛምቢያዊት ተኣሲራ ከምዝነበረት፡ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ዛምቢያ ኣረጋጊፁ። ኣብ ከተማ ካንቲ ማንሲስክ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ተምሃሪት ቀዳማይ ዓመት ዝኾነት ጓል 21 ዓመት ቲዎንግ ዚባ፡ ንሰዓታት ተኣሲራ እኳ እንተተፈትሐት፡ ጉዳያ ግና ናብ ዓቃቢ ሕጊ ተመሪሑ ኣሎ። እታ ተምሃሪት ግዳያት ኵናት ኣብ ዝዝከርሉ ስፍራ ክትስዕስዕ ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን'ዩ ተቐሪፁ። ዚባ ኣብቲ ስፍራ ሳዕሲዓ ሱቕ ኣይበለትን፡ ነቲ እናሳዕሰዓት ዝቐረፀቶ ቪድዮ ኣብ ናይ ኢንስታግራም ገፃ \"ንምውታት ምስዕሳዕ፣ ሎሚ ፅቡቕ ድቃስ ከምዝድቅሱ ርግጸኛ'የ\" ምስ ዝብል መሰነይታ ፅሑፍ ዘርጊሓቶ። ነዚ ስዒቡ ኣብ ሞስኮ ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ዛምቢያ ዝተልኣኸ ሰነድ ቤት ፍርዲ፡ \"ብናዚ ብዝተጎድኡ ንምቕያዕ ዝተገበረ ኣጸያፊ መግለፂ\" ብምባል ንተግባር እታ ተምሃሪት ገሊፅዎ። ክፍሊ ምርመራ እቲ ክልል ስምን ዜግነትን እንከይፀርሐ፡ ዚባ ነቲ ዝፈፀመቶ ተግባር ይቕረታ እንትትሓትት ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ (ቪድዮ) ብማሕበራዊ ሚድያ ዘርጊሑ። ቲዎንግ ዚባ፡ ኣብቲ ብፖሊስ ዝተዘርገሐ ቪድዮ፡ \"ነቲ ብ 16 ሚያዝያ ዝዘርጋሕኽዎ ቪድዮ ይቕረታ ክሓትት እደሊ። በቶም ዝሞቱ ንምቕያዕ ኣይኮንኩን እቲ ቪድዮ ዘርጊሐዮ ንኹለኹም ይቕረታ እሓተኩም። ከም ተረዳእኹምንን ይቕረ ከምዝበልኩምንን ድማ ተስፋ እገብር\" ኢላ። ፖሊስ፡ ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ነዚ ጉዳይ ሰብኣዊ ብዝኾነ መገዲ ከምዝምርምሮን፡ ናይ ዚባ ትምህርቲ ብዘየተኣጓጉል መልክዑ ከምዝርእዮን፡ ንሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ዛምቢያ ገሊፁ። ጋዜጣ ውልቀ ኮሞርሳንት ከምዝፀብፀቦ ድማ፡ ቲዎንግ ዚባ፡ ካብ 25 ክሳብ 65 ሽሕ ዳላር ኣሜሪካ መቕፃዕቲ ወይ ድማ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ ይፅበያ።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/61189322"} {"headline":"ስሪ ላንካ፡ ዝቕጽል ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ንምቁጽጻር ኣብ መላእ'ታ ሃገር ሰዓት እቶ እቶ ተኣዊጁ","content":"ኣብ ስሪ ላንካ፡ ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞታት፡ ናዕበኛታት ንመንበሪ ኣባይቲ ሰበስልጣን መንግስቲ ብሓዊ ኣቃጺሎም። ትማሊ ኣብ ዝነበረ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ማሂንዳ ራጃፓክሳ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዘገደደ'ዩ ነይሩ። እቲ ዝተቓጸለ ኣባይቲ፡ መንበሪ ኣባላት ናይቲ ንስልጣን እታ ሃገር ተቖጻጺሩ ዝርከብ ቤት ሰብ ራጃፓክሳ ምዃኑ ተፈሊጡ። እቶም ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ተቓውሞታት ዘስምዑ ዘለዉ ናዕበኛታት፡ ትማሊ ለይቲ ንመንበሪ ገዛ ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ድሕሪ ምኽባቦም፡ ኣብ ወጋሕታ ሓይልታት ጸጥታ ብዘካየድዎ ብናይ መጠንቀቕታ ጠያይቲ ዝተሰነየ ስርሒት ካብቲ ገዛ ክግዕዝ ክኢሉ። ኣብቲ ካብ ትማሊ ሰኑይ ጀሚሩ ዝቕጽል ዘሎ ናዕቢ፡ በውሕዱ 7 ሰባት ከምዝተቐትሉን፡ ካልኦት 200 ከምዝቖሰሉን ጸብጻባት ሓቢሮም። ዋላ'ኳ ነቲ ናዕቢ ንምቁጽጻር ኣብ መላእ እታ ሃገር ሰዓት እቶ እቶ ተኣዊጁ እንተሎ፡ ናዕበኛታት ግን ተቓውሞታቶም ይቕጽሉ ኣለዉ። እቲ ኣዋጅ ክሳብ ጽባሕ ረቡዕ ዝጸንሕ'ዩ። ጎደናታት ርእሰከተማ ኮሎምቦ ብቐትሪ ጽምዋ ብሒትዎም'ኳ እንተ ተራእየ፡ ለይቲ እንታይ ከምዘጋጠመ ዘርኢ ዕንወት ግን ካብ ዓይኒ ዝኽወል ኣይኮነን። ኣውቶቡሳት ናብ ቀላይ ተደርብየን፡ ገሊአን ድማ መሳኹተን ሽዋሕዋሕ ኢሉ፡ ጎማታተን ክነድድ ይርኣያ። ኣብቲ ኣቐዲሙ ዓቢ ናዕቢ ዝተወልዓሉ ፊት መንበሪ ገዛ ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ጽዑቕ ህላወ ፖሊስ ተራእዩ። 'ጋል ፌስ ግሪን' ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ገምገም ባሕሪ ናይታ ከተማ ድማ ብዙሓት ናዕበኛታት ይተኣኻኸቡ ኣለዉ። እቶም ኣብቲ ዝተኻየደ ተቓውሞታት ዝቖሰሉ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ናዕበኛታት ናብ ዝተፈላለያ ሆስፒታላት ይሕከሙ ከምዘለዉ'ውን ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም። ዝቖሰሉ ኣባላት ፖሊስ ከምዘለዉ'ውን ተገሊጹ። ገለ ካብኣቶም፡ ብደገፍቲ መንግስቲን ፖሊስ ብዝተኮስዎ ዘንብዕ ጋዝን ከምዝቖሰሉ ይገልጹ። ሓደ ጠበቓ ናይቶም ናዕበኛታት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣንጻር ደገፍቲ ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ክሲ ክምስርቱ ምዃኖም ሓቢሩ'ሎ። ጸብጻባት ከምዝሓበርዎ፡ ዛጊት ናይ ልዕሊ 50 መራሕቲ መንበሪ ኣባይቲ ብሓዊ ተቓጺሎም ኣለዉ። ብዙሓት ናዕበኛታት'ውን ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ጎታባያ ራጃፓክሳ ተኣኪቦም ኣለዉ ተባሂሉ። እቲ ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን ኣሕዋት ኮይኖም፡ ክልቲኦም ነታ ሃገር ብሓባር ክመርሕዋ ጸኒሖም። ጎታባያ፡ ቅድሚ ፕረዚደንት ምዃኑ'ውን ሚኒስተር ምክልኻል ኮይኑ ኣገልጊሉ ነይሩ'ዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ማሂንዳ ብወገኑ፡ ካብ 2005 ክሳብ 2015 ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝነበረ'ዩ። ካልኦት ኣባላት ናይቲ ቤተሰብ'ውን ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ሓላፍነት ቦታታት ምህላዎም ይግለጽ። ብሰንኪ'ቲ እቲ ናዕቢ ብዙሓት ፖለቲከኛታት ካብ ዓይኒ ህዝቢ ተኸዊሎም ኣብ ስቱር ቦታታት ተሓቢኦም ይርከቡ። እቲ ፕረዚደንት እንከሎ ንተቓወምቲ 'ታሚል ታይገርስ\" ብምድምሳሱ፡ ካብ ኣባላት ብሄረ ሲንሃላ ዓቢ ደገፍን ናእዳን ዝረኸበ ቀዳማይ ሚኒስተር ማሂንዳ ራጃፓክሳ፡ ደገፍቱ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ መንግስቲ ብዝወሰድዎ ጎነጽ ዝተሓወሶ ስጉምቲ ካብ ጅግና ናብ ገበነኛ ተቐዪሩ። እቶም ስልጣን ዝበሓቱ ኣሕዋት፡ ንሓድሕዶም ክከላኸሉ'ኳ ዝጸንሑ እንተኾኑ፡ ብሰንኪ'ቲ ጎነጽ ዝጓህረ ናዕቢ ግን፡ እቲ ፕረዚደንት ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር መዝነቱ ከረክብ ክምሕጸኖ ተገዲዱስ፡ ሰሚዕዎ ስልጣኑ ኣረኪቡ'ሎ። ነቲ ናዕቢ ንምቁጽጻር፡ ሰራዊት እታ ሃገር ዝርከቦም ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ጎደናታት እታ ሃገር ተዋፊሮም ኣለዉ። ኣብዚ እዋን'ዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ራጃፓክሳ፡ ካብ ርእሰከተማ ኮሎምቦ ብምውጻእ ናብ ዘይተገልጸ ቦታ ተወሲዱ ኣሎ። ስሪ ላንካ፡ ኣብ 1948 ናጽነታ ካብ ብሪጣንያ ካብ እትረክብ ንደሓር እቲ ዝኸፍአ ቁጠባዊ ቅልውላው ኣጋጢሙዋ ከምዘሎ ይንገር። መነባብሮ ኣዝዩ ብምኽባሩ ድማ ኣብ ብዙሓት ዜጋታት ቁጠዐ ኣስዒቡ'ሎ። ናይ ወጻኢ ሸርፊ እታ ሃገር ብምንጻፉ፡ ዋጋ ከም መግቢ፡ መድሃኒትን ነዳዲን ዝበሉ መሰረታውያን ሃለኽቲ ሰማይ ዓሪጉ'ሎ። መንግስቲ፡ ህጹጽ ፋይናንሳዊ ደገፍ ክግበር ይጠልብ። ጠንቂ ናይቲ ቅልውላው ግን፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19፡ እቲ ቀንዲ ምንጪ ኣታዊ እታ ሃገር ዝኾነ ቱሪዝም ከምዘንቆልቆለ'ዩ እቲ መንግስቲ ዝምጉት። ብዙሓት ኪላታት ቁጠባ ግን፡ ኣተሓሕዛን ቁጠባን ምጥፍፋእን ካብ ዓበይቲ ጠንቅታት ምዃኑ'ዮም ዝዛረቡ።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/61398979"} {"headline":"ዳይሬክተር ፕሮግራም ኣፕሊኬሽን ኢትዮ-ቴሌኮም ዝነበረ ኣቶ ኢሳይያስ ዳኘው ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሑ","content":"ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብብልሽውና ተኸሲሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሐ ዳይሬክተር ፕሮግራም ኣፕሊኬሽን ኢትዮ-ቴሌኮም ዝነበረ ኣቶ ኢሳይያስ ዳኘው፡ ትማሊ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተፈትሐ፡ ጠበቕኡ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ። ኣቶ ኢሳይያስ፡ ምስ ሓላፊ ኮርፖሬሽን ሓጺነ መጺንን ኢንጂነሪንግን (ሜቴክ) ዝነበረ ሓዉ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው፡ ብ3 ሕዳር 2011 [ግእዝ] ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ዘዘኻኸረ ጠበቓኡ ኣቶ ሃብቶም ከሰተ፡ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመትን ሸውዓተ ወርሕን ኣብ ቀይዲ ከም ዝጸንሐ ኣነጺሩ። ኣቶ ኢሳያስ ኣብ መስርሕ ፍርዲ ብተደጋጋሚ ብዋሕስ ክወጽእ ተፈቒድዎ'ኳ እንተነበረ፡ ክሳዕ ሕዚ ግን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምጽንሑ ገሊጹ። \"ብተደጋጋሚ ማለት ሽዱሽተ ግዜ ዝኸውን ዋሕስ ተፈቒድሉ እዩ። እንተዀነ ገንዘብ ኣትሒዝና ክወጽእ ክብል፡ ስሩዕ ክሲ ስለ ዝመስረተሉ ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመትን ሸውዓተ ወርሕን ክንከራኸር ጸኒሕና\" ኢሉ። ኣቶ ኢሳይያስ ፈለማ ኣብ ክልል ሶማሌ ናይ ሞባይል ኔትዎርክ መስፋሕፍሒ ህንፀት ብዘይ ጨረታ ብሓው ንዝምራሕ ሜቴክ ብዘይ ውዕል፡ ስራሕ ሂቡ ብዝብል ክሲ ተጠርጢሩ ኣብ 2011 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ቀይዲ ምእታዉ ጠበቕኡ ኣይተ ሃብቶም ከሰተ ይዛረብ። ጠበቕኡ ኣቶ ሃብቶም ከሰተ \"ሓዉ ንዝመርሖ ሜቴክ ዝተባህለ ኮርፖሬሽን ንምጥቃም፡ ብዘይውዕል ስራሕ ሂቡ፤ ብሓንሳብ ኰይኖም (ምስ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው) ሃገር ኣጥፊኦም፡ ብዝብል ተጠርጢሩ'ዩ ተታሒዙ\" ይብል። ኣቶ ኢሳይያስ ብተደጋጋሚ ብቤት ፍርዲ መሰል ዋሕስ ከም ዝተፈቐደሉን፣ እንተዀነ ብኻልኦት ክሲታትን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ብስሩዕ ክሲ ዓቃቢ ሕጊ ከም ዝተዓገተን ይገልጽ። \"ንኣቶ ኢሳይያስ ዋሕስ ተፈቒዱሉ ነይሩ። ብሓደ ፋይል ሎሚ ዋሐስ ይፍቀደሉ፣ ንጽባሒቱ ድማ ፖሊስ ብኻልእ 'ይጥርጥሮ እየ' ኢሉ የቕርቦ። ብኸምዚ ኣብ መጀመርታ ኣብ ዝነበረ ቤት ፍርድን፡ ኣብ ይግባይ ሰማዒ ቤት ፍርድን ሸውዓተ ግዜ ተመላሊስና፣ ሸውዓተ ግዜ ዋሕስ ተፈቒድሉ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ገንዘብ ኣትሒዝና ከነወጽኦ፡ 13 ለካቲት 2011 ዓቃቢ ሕጊ ስሩዕ ክሲ መስሪቱሉ\" ይብል። ወሲኹ፡ \"ንዩኒቨርሲቲታት ኢትዮጵያ ዘራኽብ ኔትወርክ ክህነጽ እንከሎ፡ ብዘይ ጨረታ ንዜድቲኢ ሂብካዮ ኢሎም ከሲሶምዎ፤ ካብኡ ድማ ኣብ ክልል ሶማል ንዝተሃነጸ ፕሮጀክት ምስፍሕፋሕ ሞባይል፡ ብዘይ ጨረታ ንሜቴክ ሂብካ ዝብል ናብ ክሲ ቀይሮም ካልኣይ መዝገብ ኣምጺኦምሉ ነይሮም\" ኢሉ። ይኹን'ምበር: \"እቲ ፈለማ ምስ ሓዉ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ክተሓዝ እንከሎ ዝቐረበሉ ክሲ፡ ማለት እውን ኣብቲ እዋን ኣብ ክልል ሶማሌ ብሰንኪ ዝነበረ ፀገም ፀጥታ ኣብቲ እዋን ብዝነበረ ኣካያዲ ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ዝተወሰነ ስለዝኾነ ቤት ፍርዲ ብዘይኣግባብ እዩ ተኸሲሱ ብምባል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ብነፃ ክሰናበት በይኑ\" ይብል። ሓው ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ዝዀነ ኣቶ ኢሳይያስ፡ ቤት ፍርዲ በቲ ካልኣይ ክሲ (ንዩኒቨርሲቲታት ኢትዮጵያ ዘራኽብ ኔትወርክ ክህነጽ እንከሎ ብዘይ ጨረታ ንዜድቲኢ ዝተውሃበ) ንኽልተ ዓመት ክእሰር'ኳ እንተፈረዶ፡ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን እዩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቃሊቲ ጸኒሑ። በዚ ድማ ኣብዚ ሰሙን ዝተሰየመ ማእከላይ ቤት ፍርዲ ፈደራል፡ ሳልሳይ መጋባእያ ብልሽውና፡ ልዕሊ'ቲ ዝተዋህቦ ፍርዲ ስለ ዝተኣሰረ ክፍታሕ ከም ዝወሰነን፡ ኣቶ ኢሳይያስ ትማሊ ከም ዝተፈትሐን ጠበቓኡ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ። \"15 ግንቦት 2014 ናይ ክልተ ዓመት ማእሰርትን ሓደ ሽሕ ብር ቅጽዓትን ተወሲንዎ፤ ኰይኑ ግን ካብ ዝተፈረዶ ንላዕሊ ሰለስተ ዓመትን ሸውዓተ ወርሕን ስለ ዝተኣሰረ፡ ቤት ፍርዲ ፈደራል፡ ሳልሳይ መጋባእያ ብልሽውና' ካብ ሎሚ ጀሚርኩም ክትፈትሕዎ' ዝብል ትእዛዝ ሂቡ\" ኢሉ። ኣይተ ኢሳይያስ ዳኘው፡ ካብ 1999 ክሳብ 2001 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ኢትዮ ቴሌኮም ዳይሬክተር ፕሮግራም ኣፕሊኬሽን ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ። ካብ 2003 ክሳብ 2004 ኣቆፃፅራ ግእዝ ድማ ዳይሬክተር ቤት ጽሕፈት 'ኔክስት ጀነሬሽን' ኰይኑ ክሰርሕ እንከሎ፡ እቲ እዋን 'ኢትዮጵያ ቴሌኮምዩኒኬሽን ኮርፖሬሽን' ፈሪሱ፡ ናብ ኢትዮ-ቴሌኮም ዝተሰጋገረሉን ፍራንስ ቴሌኮም ነቲ ትካል ዘመሓድረሉ ዝነበረን ግዘ እዩ።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/61602697"} {"headline":"ኣሜሪካ፡ ብሓባር ንዝጠፍኡ እሱርን ዋርድያን ንምርካብ ዝግበር ኣለሻ","content":"ፖሊስ ኣመሪካ ብገበን ቕትለት ዝተኣሰረ እሱርን ምስኡ ዝጠፍአት ዋርድያን ይእልሽ ኣሎ። እሱር ካሴይ ዋይትን ሓላፊት እሱራት ቪኪ ዋይትን ኣብቲ ኣብ ኣልባማ ላውደርዳል ካውንቲ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ዓርቢ ንጉሆ እዮም ንመወዳእታ ግዜ ተራእዮም። ኣብቲ ግዜ እታ ዋርድያ፡ ገምጋም ስነ ኣእምሮ ክግበረሉ ናብ ቤት ፍርዲ ትወስዶ ምህላዋ እኳ እንተገለጸት ድሒሩ ግን ኣብቲ ዕለት ንዕኡ ዝተትሓዘ መደብ ከም ዘይነበረ ተፈሊጡ። ቪኪ ዋይት፡ ነቲ እሱር ክሃድም ሓጊዛቶ ድያ ዋላስ ጅሆ ተታሒዛ ዝብል ግን ዛጊት ኣይተፈልጠን። ክልቲኦም ምምስሳል ሽም ኣቦ እኳ እንተሃለዎም፡ ዝምድና የብሎምን። ካሴይ ዋይት ሕጂ ናይታ ዋርድያ ብረት ሒዙ ክኸውን ስለ ዝኽእል \"ዕጡቕን ኣዝዩ ሓደገኛን\" ክኸውን ከም ዝኽእል ሰብ መዚ ኣጠንቂቖም ኣለው። ብዓርቢ፡ ቪኪ እቲ እሱር ስነ ኣእምሮኣዊ ጥዕንኡ ገምጋም ክግበረሉ ከተብጽሖ ምዃና ንብጾታ ነጊራ ከም ዝወጽአትን ኣብቲ ዕለት ጽቡቕ ይስምዓ ስለ ዘይነበረ ናብ ሕክምና ክትኸይድ ከም እትደልን ነጊራቶም ከም ዝነበረት ተገሊጹ። ድሕሪኡ ግን፡ ሓደ ሰብ መኪንኣ ኣብ መጸግዒ መካይን ሓደ ድኳን ጠጠው ኢላ ርኢዋ። ድሕሪ ሰዓታት ሰብ መዚ'ውን እቲ እሱር ናብ ቦትኡ ከም ዘይተመልሰ ክፈልጡ እንከለው፤ ነታ ዋርድያ'ውን ክረኽቡዋ ኣይክኣሉን። ኣገልግሎት ፖሊስ ኣመሪካ እቲ እሱር ንክትሓዝ ሓበሬታ ንዝሃበን ቪኪ ዘላትሉ ንዝሓበረን ክሳብ 10 ሽሕ ዶላር ዝበጽሕ ሽልማት ከም ዝህብ ይገልጽ ኣሎ። ኣዛዚ ፖሊስ ላውደርዳል ካውንቲ ሸሪፍ ሲንግልተን፡ ቪኪ ዋይት ንዝሓለፉ 25 ዓመታት ከም ዘገልገለት ብምግላጽ ሓጋዚት ዳይሬክተር ህንጸት ከም ዝኾነትን ስርሓ እሱራት ናብ ቤት ፍርዲ ዝኸድሉ መጓዓዝያ ምውህሃድ ከም ዘጠቓልልን ሓቢሩ። እቲ እሱር ባዕላ ናብ ቤት ፍርዲ ክትወስዶ ምውሳና ጥሕሰት ፖሊሲ ከም ዝኾነ ዝገልጽ ሲንግልተን፡ ብከቢድ ገበናት ዝኽሰስ ሰብ ብኽልተ ሰባት ከም ዝዕጀብ ሓቢሩ። ቪኪ፡ ንዓመታት \"ኣብነታዊት ሰራሕተኛ\" ናይዚ ዓመት ተባሂላ ብደጋጋሚ ዝተሸለመት ምስግንቲ ሰራሕተኛ ከም ዝኾነት'ውን ሓቢሩ። ካብዚ ብዝብገስ ክሳብ ጭቡጥ መርትዖ ዝርከብ ብተሓባባርነት ክኸሳ ከም ዘይደሊ ገሊጹ። \"ንክሃድም ሓጊዛቶ ድያ? ክኸውን ይኽእል። ስለዚ እዚ ሓደ ናይቲ መርመራ ኣካል ገይርና ንርእዮ ኣለና። ናብቲ ቤት ፍርዲ ክትወስዶ እንከላ ተጨውያ ድያ? ብዘይ ድልየታ ተወሲዳ? እዚ'ውን ካልእ እንርእዮ ዘለና ጉዳይ'ዩ። ኩነታት እቲ እሱር ርኢኻ ግን ኣብ ሓደጋ እያ ዘላ\" ይብል። ወዲ 38 ዓመት ዋይት፡ ብመስከረም 2020 ንጓል 58 ዓመት ኮኒ ሪጅወይ ብካራ ብምውጋእ ብኽልተ ገበናት ቅትለት እዩ ተኸሲሱ። ኤጀንሲ ኣኽባሪ ፌደራላዊ ሕጊ ኣመሪካ፡ እቲ እሱር ብ2015 ብስርቂ መኪና፣ ብዝምታን ፖሊስ ብምጉያይንን ዝርከቡዎም ዝተፈላለዩ ገበናት ተኣሲሩ ከም ዝነበረ ሓቢሩ። እቲ ቅትለት ተኣሚኑ ፍርዲ ይጽበ ከም ዝነበረ'ውን ሰብ መዚ ገሊጾም።","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61290771"} {"headline":"ስዊድን፡ ሓደ ሕሉፍ ጉጅለ ቅዱስ ቁርኣን ከምዘቃጽል ድሕሪ ምግላጹ ናዕቢ ተላዒሉ","content":"ኣንጻር ስደተኛታት ዝንቀሳቐስ ሕሉፍ የማናዊ ጉጅለ ኮነ ኢሉ ቁርኣን ከምዘቃጽል ምግላጹ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ስዊድን ዝተወልዐ ጎንጺ ንመበል ራብዓይ መዓልቲ ቀጺሉ፡፡ ብሰንበት ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ኖርኮፒንግ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ፖሊስ ናይ መጠንቀቕታ ጠያይቲ ክትኩሱ እንከለው ሰለስተ ሰባት ጉድኣት ከምዝበጸሖም ተገሊጹ፡፡ ብተወሳኺ ብዙሓት መካይን እንትቃጸላ 17 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም፡፡ ብተመሳሳሊ ብቐዳም ደገፍቲ እቲ ሕሉፍ የማናዊ ጉጅለ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ማልሞ ኣብ ዘካየድዎ ሰልፊ መካይን ኣቃጺሎም፡፡ ኣብዚ ቕነ መንግስታት ኢራንን ዒራቕን ንልኡኻት ስዊድን ብምጽዋዕ ንምቅጻል ቁርኣን ተቓዊሞም ነይሮም፡፡ መራሒ ስትራም ኩርስ ዝተባህለ ምንቅስቓስ ዴንማርካዊ-ስዊድናዊ ራስመን ፓሉዳን፡ ቅዱስ ቁርኣን ከምዘቃጸለን ነቲ ተግባር ከምዝደግሞን ገሊጹ ነይሩ፡፡ እቲ ጉጅለ ካብ ሓሙስ ክሳብ ቀዳም መድረኻት ከካይደሎም ተሊሙ ኣብ ዝነበረ ከተማታት ኣብ ዝተኻየዱ ሰልፊታት ተቓውሞ 16 ፖሊስ ጉድኣት ክበጽሖም እንከሎ ብዙሓት መካይን ፖሊስ ተቓጺለን፡፡ ፓሉዳን ብሰንበት ኣብ ከተማ ኖርኮፒን ሰልፊ ከምዘካይድ ምግላጹ ኣንጻሩ ካልእ ሰልፊ ክካየድ ምኽንያት ከምዝኾነ ዶቸ ወለ ጸብጺቡ፡፡ ፖሊስ መጥቃዕቲ ምስተፈጸሞም ናይ መጠንቀቕታ ጠያይቲ ከምዝተኮሱ ዝገለጹ ኮይኖም ሰለስተ ሰባት ፍንጣር ከምዝሃረሞም ገሊጾም፡፡ ሰልፈኛታት ብዓይኒ ዕሙት ኣብ ልዕሊ ፖሊስ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ዝገለጸ ሓላፊ ፖሊስ እታ ሃገር ብወገኑ ‘‘ቅድሚ ሕዚ ጎነጽ ዝበዝሖም ናዕቢታት ርእይና ኢና፤ እዚ ግን ዝተፈለየ እዩ’’ ኢሉ፡፡ ቅድሚ ሕዚ እውን ጉጅለ ስትራም ኩርስ ቁርኣን ንምቅጻል ትልሚ ከምዘለዎ ድሕሪ ምግላጹ ኣብ ስዊድን ሓያል ናዕቢ ተላዒሉ ነይሩ፡፡ ኣብ 2020 ብዓሌታውነትን ካልኦት ገበናትን ንሓደ ወርሒ ኣብ ዴንማርክ ዝተኣሰረ መራሒ እቲ ሕሉፍ ጉጅለ ኣብ ከም ፈረንሳን ቤልጂየምን ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣውሮጳ ቅዱስ ቁርኣን ናይ ምቅጻል መደብ ነይርዎ፡፡","category":"ሕጊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61138164"} {"headline":"‘ትሪያንግለ ኦፍ ሳድነስ’ ሽልማት ‘ፓልም ዲ ኦር’ ተዓዊታ","content":"ብሩበን ኦስትላንድ ዝተሰርሐት 'ትሪያንግለ ኦፍ ሳድነስ' ዘርእስታ ፊልም፡ ኣብቲ ኣብ ዓለም ዓበይቲ ዝብሃሉ ፌስቲቫላት ፊልም ሓደ ዝኾነ ካን - ፈረንሳ ዝወሃብ ዝለዓለ ሽልማት 'ፓልም ዲ ኦር' ተዓዊታ። እዛ ፊልም ኣብ ጅር 'ብማሕበራዊ ባጫ' [Social Satire] ትምደብ ኰይና፡ ነዊሕ ናይ 'ትፋእ' ምርኢት ዘለዋ፣ ሞዴላትን ኣዝዮም ሃብታማትን ዝዀኑ ሰባት፡ ደረጃኦም ከመይ ኢሉ ብዘይተጸበይዎ ኵነታት ከም ዝወድቕ እትርኢ ፊልም ሩበን ኦስትላንድ፡ ትማሊ ቀዳም እያ ሽልማት ፓልም ዲ ኦር ተሸሊማ። እዚ ሽወደናዊ ዳይረክተር ፡ነዚ ሽልማት'ዚ ንኻልኣይ ግዚኡ ዝዕወተሉ ዘሎ ኰይኑ፡ ኣብ 2017፡ 'ዘ ስኴር' ብእትብል ፊልም ተዓዊቱ ከም ዝነበረ ይዝከር። ኣብዚ ፈስቲቫል፡ ደቡብ ኮርያዊ ፓርክ ቻን-ዉክ ብሉጽ ዳይረክተር ተባሂሉ ተሸሊሙ።ፓርክ፡ በታ ኣብ 2003 ዝሰርሓ ኦልድቦይ ዘርእስታ 'ትሪለር' ፊልም ዝያዳ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብዚ ዓመት 'ደሲሽን ቱ ሊቭ' ብእትብል፡ ምስ ጾታዊ ርክብ ዝተኣሳሰር ጅር 'ገበናዊ ፊልም' እያ። ኣብታ 'ንደቡብ ኮርያ ዝበለጸት ምሸት እያ ነይራ' ዝተባህለ ምሸት፡ እቲ ኣብ 2019 'ፓራሳይት' ኣብ እትብል ፊልም ብዘርኣዮ ተዋስኦ፡ ዝበለጸ ተዋሳኣይ ተባሂሉ ሽልማት ኦስካር ብምውሳድ ዓለምለኻዊ ኣቓልቦ ዝረኸበ ሶንግ ካንግ-ሆ ሽልማት ብሉጽ ተዋስኣይ ዓቲሩ'ሎ። \"ንጉስ ክሪንጅ\" ንዝተሰምየ ፊልም፡ ዘረባ ብላዕሊ ዘንጸፈ ['ዳብ' ዝገበረ] ሽወደናዊ ኦስትላንድ፡ ኣብ ዓለም ሰባት ዘዛርብ ፊልም ንምስራሕ ከም ዝተበገሰ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ። ብዛዕባ'ዛ ዝተሸለመት ፊልሙ ክዛረብ እንከሎ ኦስትላንድ፡ \"ነዛ ፊልም ክንሰርሕ ክንጅምር እንከለና፡ ብርግጽ ሓደ ዕላማ ነይሩና 'መስለኒ፣ ንተዓዘብቲ መሳጢ ፊልም ክንሰርሕ ምፍታን፣ ሓሳብ ዘበራብር ትሕዝቶ ምምጻእን'ዩ ነይሩ ዕላማና፡\" ድሕሪ ምባል፡ \"ተዓዘብቲ ክዘናግዑ፡ ነቲ ፊልም ርእዮም ነብሶም ሕቶታት ክሓቱ፣ ካብቲ ምርኢት ወጺኦ'ውን ዝዘራረብሉን ዝካትዑሉን ነገራት ክህሉ እዩ ነይሩ ድሌታ\" ክብል ኣረዲኡ። እታ ፊልም ብርግጽ ካብ ተዓዘብቲ ጽቡቕ ግብረ መልሲ ረኺባ ከም ዘላ ዝጠቐሰ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ - ኣብ እዋን መላላዪ 'ታ ፊልም ካብ ዝተወስደ ትዕዝብቱ ነቒሉ - \"ብፍላይ ሓደ ትርኢት ተዓዘብቲ ወይ ብሰሓቕ ክጭድሩ ዘኽኣለ ፍሉይ ትርኢት\" ከም ዝቐረበ ኣመልኪቱ።ዛንታ ትራያንግል ኦፍ ሳድነስ፡ ክልተ ሞዴል ዝዀኑ ሰባት - ብብሪጣንያዊ ሃሪስ ዲከንሰንን ደቡብ ኣፍሪቃዊ ቻርልቢ ዲንን ዝዋስእዎ - ኣመና ምቾት ዝመልኦ ናብራ እዩ ዝጅምር። ብሰንኪ ዘይተጸበይዎ ተጓንፎታት ግን ንነብሶም ተዓጽያ ይረኽብዋ'ሞ፣ ምስቲ ማሕበራዊ ስርዓት ንኣድላይነት ሕቶ ምንባር ጥራይ ከልዕሉ ይረኣዩ።ቫይረይቲ ዝተባህለ መዘናግዒ መጽሔት፡ ብዛዕባ'ታ ፊልም ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፣ እታ ፊልም \"እተስሕቕ'ኳ እንተዀነት፡ ኦስትላንድ ግን \"ከም እትሓስብ'ውን\" ገይሩ'ሎ ክትብል ኣስፊራ'ላ።\"ዝዀነ ዓውዲ ይግጠም ብዘየገድስ፡ ንዓለም ብዝተፈላለየ መንገዲ ክንርእያ ግድን'ዩ፡\" ይብል ኣብ ዘስፈሮ ገምጋም።","category":"ፊልም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61623069"} {"headline":"ንስነ-ጥበባዊት ሊዲያ ሞገስ 'ተባኣሲት' ዝገበራ እንታይ እዩ?","content":"ሊድያ ሞገስ፡ 'ላምባ' ኣብ ዝተብሃለ ፊልም ድሕሪ ምውስኣ እዮም ብዙሓት ዝፈልጥዋ። ንፈለማ እዋን ኣብ ዝተሳተፈትሉ ላምባ ብዘርኣያቶ ብቕዓት ናእዳ ክትረከብ እንከላ፡ ብርክት ዝበለ ሽልማት ረኺባትሉ እያ። ሊድያ ካብ ተዋስኦ ብዝዘለለ ብዝተምሃረትሉ ማርኬቲንግ'ውን ትሰርሕ እያ። ናብ ድሕሪት እንትንምለስ ግና፡ ሊድያ 'ብሓያልነታ፣ ብተባኣስነታን' ብተደጋጋሚ ካብ ቤት ትምህርቲ ብምስጓግን እያ ትፍለጥ። ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ንዝተንከፋ ተምሃራይ ከም ኩዕሶ ኣልዒላ ካብ ምንጋዕ፡ ወይ 'ሓፍ ኣቢላ ካብ ምድርባይ' ንድሕሪት ኣይትብልን። ክልተ ዓመታት ካብ ዝፀነሐትሉ ካብዚ ቤት ትምህርቲ ወፃኢ ዝነበራ ባህሪ ድማ ካልእ እዩ። ናብ ቤተክርስያን ብምኻድን ማርሻል ኣርት ብምምሃርን ፅቡቕ ስነ ምግባር ኣኻዕቢታ'ያ። ካብ መውዓሊ ህፃናት ክሳብ ሻምናይ ክፍሊ ትበፅሕ፡ ሊድያ ምስ መሓዙታ ትረዳዳእ፣ ኣብ 'ሚኒ ሚድያ' ትሳተፍ፣ ንትምህርታ ንፍዕትን ብባህሪኣ እትምስገንን'ያ ነይራ። እሞ ናይ ሊድያ ባህሪ ደኣ እንታይ ቀየሮ? መድሃልቲ- (ቡሊንግ)!' 'ቡሊንግ' ንዝብል ፅንሰ ሓሳብ ዋላ'ኳ ቀጥታዊ ትርጉም ኣይረኸቦ፡ ንሰባት ምሕራቕ፣ ምድሃል፣ ምሽምቓቕ፣ ምጥቃዕ ከምኡ'ውን ናይ ሓይሊ ስምዒት መንፈስ ምንፅብራቕ ብዝብል ክግለፅ ይኽእል። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዲን ትምህርትን ባህርያትን ከምኡ'ውን መምህር ስነ-ኣእምሮ ዶክተር የቆየዓለም ደሴ፡ ንቡሊንግ ቀጥታዊ ትርጉም ምርካብ ከቢድ ከምዝኾነ ይገልፅ። እንተኾነ ጥቕዓት ብዝብል ክግለፅ ከምዝኽእል የረድእ። \"ቡሊንግ ወይ ጥቕዓት፡ ሓደ ሰብ ንክሽቑረር፣ ንክፈርሕ፣ ንክሰግእ፣ ንክሳቐቕ ዝገብሩ ኣካላዊ፣ ስነ ልቦናዊ፣ ስምዒታውን ፀቕጥታት ምፍጣር'ዩ\" ዝብል ዶክተር የቆየዓለም፡ ቡሊንግ ነገር ናይ ምፅሕታር ሓደ ዘርፊ'ዩ ይብል። በዚ ኩነታት ዝሓለፈት ሊድያ ድማ፡ \"ቡሊንግ ሓደ ሰብ መሰሉ ወይ ብዝተውሃበ ነገር ከይተኣማመንን ዝደልዮ ነገር ንከይረክብ ብሰባት ፀቕጢ እንትግበረሉን'ዩ\" ብምባል ትገልፆ። ሊድያ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብናይ ባዕላ መገዲ ክትጓዓዝ ምፍታናን \"ካልኦት ዝብልዎ ኩሉ ክትቅበል\" ዘይምድላያን ብኻልኦት ነቐፌታ ክቐርበላን፣ ምንሻው ክንተተኣናግድን ምኽንያት ኮይኑ። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ፀላዊት ምስ ዝኾነት ካልእ ተምሃሪት ብዝነበራ ዘይምስምማዕ፡ ብዙሓት ተምሃሮ ምስኣ ክመሓዘዉ ኣይደልዩን ነይሮም። በዚ ምኽንያት እዚ \"ወላ ሓደ ዝተፈለየ ነገር እንከይሃለዎ\" ብኣከዳድንኣ፣ ብኣሰራርሓ ፀጉራ \"ብምብጫው\" ካልኦት ተምሃሮ ክስሕቑን ንሳ ክትሽቑረርን ይግበር ከምዝነበረ ትዝክር። \"ክኣቱን ክወፅእን ስም ይወሃበኒ፤ ኣብ ክፍሊ ወፅየ ዕዮ ገዛ እንተቕረብ ይስሕቑኒ፣ ወረቐት ይድርብዩለይ፣ ናይ ምሳሕ መትሓዚ ስልጣንያይ ይስረቐኒ፣ ሓደ ሓደ መዓልቲ ምስሐይ ኣብ ሻንጣይ ተደፊኡ እረኽቦ ነይረ። ናብ መምህራን ከይደ እንተጠራዕኹ'ውን፡ እዚ ቁልዕነትን ቀልድን'ዩ እናበሉ ኣይሰምዑንን። ብድሕሪኡ ኣነ'ውን ሓያል ኮይነ\" ትብል ሊድያ ንቤተሰባ ሓዊሱ ዝሰምዓ ከምዘይነበረ ትገልፅ። ስድርኣ፡ \"እቲ ቤት ትምህርቲ ስለዘይፈተኽዮ ኢኺ ሓያልን ረባሺትን ኮይንኪ\" ብምባል ነዚ ፀገም ትኹረት ኣይሃብዎን። ሊድያ፡ ማርሻል ኣርት ንሰባት ምውቃዕ ከምዘይምዕድ'ኳ እንተፈለጠት፡ ንርእሳ ንምክልኻል ግና ንዘሸቑርርዋ ተምሃሮ ትዋቓዕ። እዚ ድማ ብተደጋጋሚ ን 15 መዓልታት ወይ ንሓደ ሰሙን ካብ ትምህርቲ ክትእገድ ገይርዋ። ዶክተር የቆየዓለም፡ ኣብ ሊድያ ዝበፅሐ ሓዊሱ ብዙሓት ዓይነታት ቡሊንግ ከምዘለዉ ይገልፅ። ቡሊንግ ከም ምውቃዕ፣ ምትንኳይ፣ ቦርሳ ምምንጣል ወይ ብኻልእ መገዲ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ክግለፅ ይኽእል። ብምፅራፍ፣ ብምንሻው፣ ሳጓ ብምሃብ፣ ብምድሃልን፣ ምጥቑቛምን ዝኣመሰሉ መገድታትን'ውን ይግለፅ። ስም ብምጥፋእ፣ ብሓሜትን ብተመሳሳሊ ዓይነት መገድን ዝፍፀም ድማ ማሕበራዊ 'ቡሊንግ' ተባሂሉ ይፅዋዕ። ኣብ ልዕሊ እዚ ኩሉ ድማ: እዚ ዘበን 'ሳይበር ቡሊንግ' (ሳይበራዊ መድሃልቲ) ሒዙ መፂኡ'ዩ። 'ሳይበር ቡሊንግ' ዋላ'ኳ ዝተፈላለየ መልክዕ እንተሃለዎ ብማሕበራዊ መራኸብታት ኣቢሉ ንሰባት ምድሃል ሓደ መግለፂኡ ከምዝኾነ እዩ እቲ መምህር ስነልቦና ዘረድእ። ስለዚ፡ \"ቡሊንግ ዝበሃል ዘይብሉ ቦታ የለን፣ ንቡሊን ዘይትቃልዓሉ መገዲ የለን፡ ኣብ ቤት ትምህርትን ናይ ስራሕ በታን ልሙድ'ዩ\" ብምባል የብርህ። መብዛሕትኡ ግዘ ንኻልኦት ሰባት ዘሸቑርሩ ሰባት፡ ልዕሊ እቶም ዘጥቅዕዎም ሰባት ጉልበት ኣለዎም። \"ኣነ ካብ ካልእ ዝበለፅኩ'የ\" ካብ ዝብል ዝብገስ ብምዃኑ ዝኮነ ሰብ ነዚ ጥቕዓት ዝተቓልዐ'ዩ። ሰባት ብሰንኪ ፀገም ስብእና፣ ንርእሶም ግዳይ ቡሊንግ ብምዃኖም፣ ልዕልነት ንምንፅብራቕ፣ ኣዝዩ ጥቡቕ ብዝኮነ ኣተዓባብያ ምሕላፍ፡ ሰባት ንኻልኦት ንከሸማቕቑ ብምክንያት ዝጥቀሱ ምካኖም ዶክተር የቆየዓለም ይሕብር። ሊድያ፡ መድሃልቲ (ቡሊንግ) ዘስዓበላ ጸገም ሕጂ'ውን ከም ዘይላቐቓ ትዛረብ። ኣብቲ ጊዜ፡ ብተደጋጋሚ ስምዒት ዓርሰ ምትሓት ወይ ጥፍኣተኝነት ንክስምዓ ካብ ምግባር ሓሊፉ ንክትሓንኽ ናብ ርእሳ ዝድርበዩ ዝነበሩ ቃላት \"ሓቂ ድዩ?\" ኢላ ንርእሳ ክትጠራጠር ይገብራ ነይሩ። \"ንሶም ከም ዝበሉዎ ቀጣን ድየ? መልክዐኛ'ዶ ኣይኮንኩን? ጸጉረይ ሕማቕ ድዩ? ንክብል፣ ዘለኒ ነገር ንከይፈትዎ፣ ብዛዕባ ነብሰይ ዘለኒ ግምት ክቕየር፣ ንነብሰይ ክጸልእ፣ ርእሰ ተኣማንነተይ ክንኪ፣ ካብ ገዛ ወጺአ ክሳብ ዝምለስ ርእሰ ተኣማንነት ንከይህልወኒ ገይሩ'ዩ\" ትብል። ወሲኻ፡ \"በቲ ዕድመ እቲ ብሕታውነት ይስምዓኒ ነይሩ፤ ይጭነቕ ነይረ። ካብ ትምህርቲ ክእገድ እንከለኹ ንኽልተ መዓልቲ ድቃስ ኣይወስደንን - ፍጥጥ ኢለ ይወግሕ፤ በዚ ይሓርቕ\" ኢላ። ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ዝነበራ ዘሐጉስ ግዘን ናይ ትምህርቲ ውጽኢታን እናተመናመነ ናብ ዝቕጽል ደረጃ ትምህርቲ ዘሰጋግራ ነጥቢ ዝስኣነትሉ ግዜ ነይሩ። ሕጂ ግን፡ ሊድያ እዚ ኹሉ ዝፍትናን ስነ-ልቦናዊ ጸቕጢ ዘሕድረላን ዝነበረ ጸገም በዲሃቶ እያ። ኣብ ስነ-ጥበባዊ ስራሕትን ካልኦትን ውጽኢታዊት ኮይና ኣላ። እንተኾነ ሕጂ'ውን እቲ ዝበጽሓ ዝነበረ መድሃልቲ ዘስዓቦ ጽልዋ ሓሓሊፉ ይርኣያ እዩ። \"ተጠራጣሪት\" ክትኸውን \"ንኣሽቱ ዝብሃሉ ነገራት'ውን ኣኽቢዳ\" ክትርእዮምን ሓሓሊፉ ድማ ኣብ ሞንጎ ሰሓቕን ጸወታን ዝመጽኡ ቅይዐታት ንዓኣ ዝተዋህቡ ክመስሉዋን ገይሩ እዩ። \"ኩሉ ሰብ ንዓይ ክብሪ ዘይብሉ ዝመስለኒ ግዜያት ኣሎ\" ትብል። መብዛሕትኦም፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ናይ ስራሕ ቦታን ዝርኣዩ መድሃልቲ፡ ኣብ ውሽጢ ስድራቤት'ውን ከጋጥም ከም ዝኽእል ዝጠቅስ ዶክተር የቆየኣለም፡ ኣብ ውሽጢ መድሃልቲ ኣጥቃዓይ ወይ ኣጥቃዕቲ፣ ተበዳሊ ወይ ተበደልቲ ከምኡ'ውን ነቲ ኩነታት ዝርእዩ ሰባት ተሳተፍቲ ከም ዝኾኑ ይዛረብ። እዚ ድማ ኣብ ሰለስቲኡ ናይ ባዕሉ ጽልዋ ከም ዘሕድር እቲ በዓል ሞያ የረድእ። ቡሊንግ ብዝተፈላለየ ደረጃ ዝግለጽ ስነ-ልቦናውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጽልዋ እኳ እንተሃለዎ፡ ብፍላይ እቲ ግዳይ ግን ክሳብ ነፍሰ ቕትለት ዝበጽሕ ስጉምቲ ክወስድ ከም ዝገብሮ ሓቢሩ። ቡሊንግ፡ ርእሰ ተኣማንነት ሰባት ክትሕት፣ ማሕበራዊ ህይወት ክተኣጓጎል፣ ኣብ ናይ ስራሕን ትምህርትን ኣሉታዊ ጽልዋ ዝፈጥርን ምኽንያት ምቁራጽ ትምህርቲ ብዙሓት ከም ዝኾነን ኣረዲኡ። ሰባት፡ ክሽቑረሩ ምግባር ብፍላይ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ብሰፊሑ ዝርኣይ ምዃኑን ከቢድ ሳዕቤን የምጽእ ምህላውን ዘመላኽቱ መጽናዕታት ምህላዎም እቲ በዓል ሞያ ገሊጹ። ይኹን'ምበር፡ ብመንጽር እቲ ዘስዕቦ ዘሎ ስነ ልቦናዊ ጉድኣት ግቡእ ትኹረት ከም ዘይተዋህቦ ዝገልጽ ኣቶ የቆየኣለም፡ \"እቲ ሕብረተሰብ፣ ኣብያተ ትምህርትን መሰል ሰባት ዘኽብሩ ትካላትን ኣፍልጦ ኣይሃቡዎን። ናይዚ ሳዕቤን ናይ ሓጺር ግዜ ዘይኮነ ዘላቒ ኣሉታዊ ጽልዋ ስለ ዘለዎ ትኹረት ክወሃቦ ይግባእ\" ኢሉ። ሊዲያ፡ በዚ ትሰማማዕ። \"ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ትምህርቲ ኣይፈቱን እንተኢሉ ምናልባት ቡሊንግ ሓደ ምኽንያት ክኸውን ይክእል'ዩ፤ ስለዚ ብዙሕ ትምህርቲ ዘይፈትው ቆልዑ ክፍጠሩ'ዮም። ተማሂሩ ተመሪቑ ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎ ሰብ'ውን ክስኣን ይኽእል። ብምኽንያት ብዙሓት ሰባት ኣቕሊሎም ብዝርእዩዎ ጉዳይ ብዙሕ ሰብ ክንስእን ኢና\" ትብል። ሊድያ፡ ብወለንትኣ ንህጻናት እተምህር ኮይና ቡሊንግ ኣብ ልዕሊኣ ዘብጽሖ ሳዕቤን ብውሑዱ ኣብ ልዕሊ እዞም ቆልዑ ከይበጽሕ ክትትል ትገብር። ተዋሳኢት ሊድያ ቡሊንግ ዘስዐበላ ፅልዋ ንምፅዋር እናፈተነት፡ ኣብ ፊልም 'ላምባ' ሓዊሱ ብዙሓት ስራሕቲ ሰሪሓ እያ። እንተኾነ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝነበራ ፃንሒት'ውን ሓለሓሊፉ ኣብ ስራሕታ ኣጋጢምዋ'ዩ። ትካላት ትምህርቲ፣ ተምሃሮን ወለድን ነቲ ጉዳይ ብዝግባእ ንክርድእዎ ብምግባር ነቲ ፀገም ምቕላል ይከኣል'ዩ ትብል ሊድያ። ወለዲ፡ ንስምዒት ደቆም ብምክትታል ዓቕምን ዕድልን እንተልዩ ቤት ትምህርቲ ክሳብ ምቕያር ዝበፅሕ ስጉምቲ ክወስዱ ይግባእ ትብል። ብኻልእ ወገን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ኣካዳሚክ ትምህርቲ ብዝዘለለ ስነ-ምግባር መሰረት ዝገበረ ትምህርቲ እንተዝወሃብ ነቲ ፀገም ክንክዮ ይክእል ዝብል እምነት ኣለዋ። ቡሊንግ \"ኣብ ዝኸድናዮ ኩሉ ዝስዕበና በሰላ የስዕብ\" ዝብል ዶክተር የቆየዓለም፡ ብፍላይ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝሐሸ ቁፅፅር ስርዓትን ኣገልግሎት ማዕዳ ብምጉልባትን ነቲ ፀገም ምቕላል ይከኣል ይብል። \"ካብ ሱር መሰረቱ ንምንካይ ግና ወለዲ ንደቆም እንተዕብዩ መሰልን ግቡእን ክፈልጡ ምግባር\" ግቡእ'ዩ ዝብል እቲ መመህር ስነልቦና፡ ስሩዕ መራኸቢ ሓፋሽ ኮኑ ማሕበራዊ ሚድያታት ፅልኢ ዝፅሕትሩ ትሕዝቶታት ንከይዝርግሑ ክጥንቀቑ ይግባእ ይብል። ቡሊንግ ዘጋጠሞም ሰባት'ውን እቲ ጉዳይ ንስድርኦም፣ ንቤት ትምህርቲ ካብዚ እንተገዲዱ ድማ ንኣካላት ሕጊ ከፍልጡ ከምዝግባእ ይሕብር። ነዚ ጥርዓን ዕሽሽ ምባልን \"ናይ ቆልዑ ፀዋታ'ዩ\" ኢልካ ምሕላፍ ግና ነቲ ንእሽተይ ፀገም ብምግዳድ፡ ኣብ ሂወት ዘበኖም ኩሉ ዘይሓዊ በሰላ የስዕብ ክብል የጠንቅቕ።","category":"ፊልም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/61156649"} {"headline":"ስነ-ስርዓት ቀብሪ ድምጻዊ ማዲንጎ ኣፈወርቅ ሎሚ ተፈፂሙ","content":"ብሰሉስ ህይወቱ ዝሓለፈ ድምጻዊ ማዲንጎ ኣፈወርቅ ሎሚ ሓሙስ 19 መስከረም 2015 ዓ.ም. ስነ-ስርዓት ቀብሩ ተፈጺሙ። እቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣብ ፍሬንድሺፕ ፓርክ ስድርኡ፡ ፈተውቱ፡ ሞያውያን መሳርሕቱ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲን ብዙሓት ኣድነቕቱን ኣብ ዝተረኸብሉ ስነ ስርዓት ስንብት ድሕሪ ምክያዱ እዩ ተፈፂሙ። ድምጻዊ ማዲንጎ ኣፈወርቅ ሰሉስ ንጉሆ 1፡30 ኣብ ክፍለ ከተማ ለሚኩራ ናብ ዝርከብ ክሊኒክ ከይዱ ፈውሲ ቃንዛን ካልእ መድሃኒታትን ድሕሪ ምውሳዱ ከባቢ 3፡00 ቅድሚ ቀትሪ ከም ዝሞተ ፖሊስ ሓቢሩ። ዳይረክተር ርክብ ህዝቢ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኮማንደር ማርቆስ ታደሰ ሬሳኡ ንምርመራ ናብ ሆስፒታል ኣቤት ከምዝተወስደን ውፅኢት ምርመራ ሬሳ ንህዝቢ ከምዝግለፅን ኣብ ዝሞተሉ መዓልቲ ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ። ዛጊት ፖሊስ ብዛዕባ ጠንቂ ሞት እቲ ድምጻዊ ዝሃቦ ሓበሬታ የለን። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ፡ ነቶም ሃንደበት ናብ ትካል ጥዕና ከይዶም ብህይወት ዘይተመልሱ ድምጻውያን ብምዝካር፡ \"ሕማሞም በርቲዑ ድዩ ወይስ ሕክምናዊ ድኽመት?\" ኢሎም ብምሕታት ላዕለዎት ሰበስልጣን ነቲ ጉዳይ ቆላሕታ ክገብሩሉ ተላብዮም ኣለዉ። ድሕሪ ሞት እቲ ድምጻዊ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴን ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ከምኡ’ውን ፍሉጣት ሰባትን ኣድነቕቲ እቲ ሞያን ሓዘኖም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገሊጾም ኣለዉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብሞት ስነጥበባዊ ማዲንጎ ኣፈወርቅ ዘለዎ ሓዘንብምግላጽ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጹ \"ኣብ ሓጺር ዕድሚኡ ንሃገር ብዙሕ ዝሰርሐ ስነጥበባዊ'ዩ\" ኢሉ። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝርከብዎም ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣንን ፈተውቲ እቲ ድምጻዊን ዕንበባ ኣንቢሮም። ብዙሓት ኣድነቕቱ’ውን ሓዘኖም ኣብማሕበራዊ መራኸቢታት ይገልጹ ኣለዉ። ወለዱ ተገነይ ዝብል ስም ዝሃብዎ ማዲንጎ ኣፈወርቅ፡ ኣብ ጎንደር ተወሊዱ ኣብ ደብረ ታቦር እዩ ዓብዩ። ኣብ ወተሃደራዊ ገዛ ከምዝዓበየ ኣብ ሓያሎ ቃለ መሕትት ዝገለጸ ማዲንጎ፡ እቲ ስሙ ዝረኸቦ ኣብኡ ከምዝኾነ ገሊጹ ነይሩ። ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ናይ ሙዚቃ ሂወቱ ብተመሳሳሊ ስም ተፈላጥነት ረኺቡ። ገና ህጻን ከሎ፡ ኣብ ዜማ ላስታ ዝተባህለት ጉጅለ ሙዚቃ ተጸንቢሩ ሙዚቃ ፍሉጣት ደረፍቲ ብምጽዋት ዝጀመረ ማዲንጎ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ንጽል ደርፍታትን ምሉእ ኣልበማትን ብምዝርጋሕ ኣብ ህዝቢ ተፈታውነት ረኺቡ እዩ። ማዲንጎ ሓደ ካብቶም ብስርሖም ኣብ ዓበይቲ መድረኻት እታ ሃገር ዝዕደሙ ደረፍቲ ኮይኑ፡ ስርሑ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢ ብተደጋጋሚ ከቕርብ ጸኒሑ'ዩ። ድምጻዊ ማዲንጎ ኣፈወርቅ ወዲ 44 ዓመትን ኣቦ ሓደ ቆልዓን'ዩ ነይሩ። ናይ ብዙሓት ፍሉጣት ደረፍቲ ሙዚቃ ብምምሳል ኣቓልቦ ኣሕተምቲ ሙዚቃ ዝሰሓበ ማዲንጎ፡ ኣብ 1989 ምስ ክልተ ኣዕሩኽቱ 'ፊሸር ባንድ ኮሌክሽን' እትብል ናይ መጀመርታ ኣልበሙ ኣሕቲሙ። ኣብ 1991 ዝተፈነወት 'ስያሜ ኣጣሁላት' እትብል ኣልበሙ ብዙሓት ኣድነቕቲ ዘጥረየት ነይራ። ካብዛ ኣልበም 'ስያሜ ኣጣሁላት' ከምኡ’ውን 'ኣማን ነው ወይ ጎራው' ዝብላ ደርፍታት እውን ዓብዪ ዝና ክረክብ ገይረን እየን። ድሒሩ ምስ ካልኦት ተሓባበርቱ ከምኡ'ውን ብውልቁ ንጽል ደርፍታት ኣውጺኡ’ዩ። ኣብ 1997 ዓ.ም 'ኣይደረግም'፡ ኣብ 2007 ድማ 'ስወድላት' ብዝብል መጸውዒ ዝፈነወን ኣልበማት ኣዝዩ ህቡብ ክኸውን ኣኽኢለንኦ። ካብዚ ብተወሳኺ ምስ መሓዙቱ ማሕበራዊ ረብሓ ዘለዎም ስራሕቲ ሙዚቃ ሰሪሑ ነይሩ። ማዲንጎ \"ኣባይ ወስይ ቬጋስ\" ንዘርእስታ ፊልም መዐጀቢ ዝሰርሓ ደርፊ ሓንቲ ካብቶም ኣሰሩ ዘንበረሎም ስራሕቲ ሙዚቃ እያ። እዚ ኣብ ትሽዓተ ዓመት ዕድሚኡ ናብ ሙዚቃ ዓለም ዝተጸንበረ ድምጻዊ፡ ቅድሚ ሞቱ ክሳብ ዝነበራ ሰዓታት ካብ ማይክሮፎን ኣይተፈለየን ነይሩ። ማዲንጎ ኣፈወርቅ ሓደ ካብቶም መስረትቲ እቲ ደገፍ መርበብ ሙዚቀኛታት 'ኣራራይ' ምንባሩ ዝተገልጸ ክኸውን ከሎ ብናይ ግብረ ሰናይ ንጥፈታት ድማ ይዝከር።","category":"ፊልም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cl58qg2d37jo"} {"headline":"ህብብቲ ተዋሳኢት ክሪስቲ ኣለይ ኣብ 71 ዕድመኣ ዓሪፋ","content":"ክሪስቲ ኣለይ፡ እታ ብፍላይ ኣብ 1980ታትን 90ታትን ‘ቺርስ’ ኣብ ዝተባህለት ተኸታታሊት ኮሜዲ ፊልም ፍልጥቲ ተዋሳኢት ዝነበረት፡ ኣብ መበል 71 ዕድመኣ ብሕማም መንሽሮ ከም ዝዓረፈት ስድራቤታ ኣፍሊጦም። \"ነቲ ንምእማኑ ዘጸግም፡ ሞት ኣመና ፈቃር ኣደና ክንሕብረኩም ዓሚቝ ሓዘን እናተሰምዓና እዩ\" ክብሉ ደቃ ጽሒፎም። ክሪስቲ ኣብታ ህቡብቲ ተኸታታሊት ፊልም ቲቪ 'ቺርስ'፡ ከም ማናጀር ሓደ ባር ብምዃን ብዝተላበሰቶ ገጸ-ባህሪ ሽልማት ኤሚ ተዓዊታ እያ። እታ ተወላዲት ዊቺታ ካንሳስ ዝዀነት ህብብቲ ተዋሳኢት፡ ኣብ ፊልምታት ‘ስታር ትረክ II’፡ ‘ዘ ራዝ ኦፍ ካሃን’፡ 'ድሮፕ ዴድ ጐርጀስ'ን ተኸታታሊ ፊልምታት ‘ሉክ ሁ’ስ ቶኪን’ እውን ተዋሲኣ እያ። እቲ መግለጺ ስድራቤታ እንታይ ዓይነት መንሽሮ ከምዝሓመመት ኣይገለጸን፤ እንተዀነ \"ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈልጠ\" ምዃኑ የመልክት። \"ብመቕርባ ተኸቢባ ብዓቢይ ሓይሊ ተቓሊሳ እያ፤ እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ናይ ምንባር ሓጐሳ ኸኣ ዝዀነ ይዅን ኣብ ቅድመና ዘሎ ንምስጋር ርግጸኛታት ክንከውን ዝመርሕ’ዩ\" ክብል ኣስዒቡ። \"[ንሳ] ከምቲ ኣብ ስክሪን ዝቐመጠቶ ትእምርቲ፡ ኣብ ሂወታ’ውን እተገርም ኣደን ኣደዓባይን እያ ነይራ።\" ብተወሳኺ፡ \"ንህይወት ዘለዋ ኒሕ፡ ንደቃ ንደቂ ደቃን ከምኡ’ውን ንብዙሓት እንስሳታታን ዝነበራ ፍቕሪን ንምፍጣር ዘልኣለማዊ ሓጐሳን\" ንኢዶም። ኣብ ተኸታታሊ ፊልም ሉክ ሁ’ስ ቶኪን ምስኣ ዝተዋስአ ስሙይ ተዋስኣይ ጆን ትራቮልታ፡ ኣብ ልዕሊኣ ዘለዎ ክብሪ ንምግላጽ  ኣብ ኢንስታግራም ለጢፉ። \"ክሪስቲ፡ ሓንቲ ካብቶም ኣብ ህይወተይ ፍሉይ ዝምድና ዝመስረቱ ሰባት እያ ነይራ። ኣነ የፍቅረኪ እየ ክሪስቲ\" ክብል ኣብ ጐድኒ ስእላ ጽሒፉ። \"ዳግማይ ክንራኸብ ምዃንና እፈልጥ እየ፡\" ከኣ ይብል ጆን ትራቮልታ ክሪስቲ፡ ኣብታ ኣብ ሓደ ባር ቦስተን ዝተደኰነት ተኸታታሊት ‘ኵነታዊ ድራማ’ [sitcom] ተለቪዥን ኤንቢሲ፡ ረቤካ ሆወ ኰይና እያ ተዋሲኣ። እዛ ፊልም፡ ኣብቲ ኣመና ልዑል ተቐባልነት ዝረኸበትሉ እዋን ዝተጸንበረታ ክሪስቲ፡  ኣብ 147 ምዕራፋት ብምውሳእ፡ ክሳብ’ቲ [እታ ፊልም] ዝተዛዘመትሉ 1993 ሰሪሓ እያ። ኣብ 1993፡ “ዳቪድ’ስ ማዘር” ኣብ ዝብል ፊልም ተለቪዥን ሲቢኤስ ብተጻወተቶ መሪሕ ጠባይ እዋን፡ ንኻልኣይ ግዜ ሽልማት ኤሚ ተቐቢላ እያ።","category":"ፊልም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c9rl1gen53do"} {"headline":"‘ጋንግስታስ ፓራዳይዝ’ ብትብል ደርፉ ዝፍለጥ ራፐር ኩሊዮ ዓሪፉ","content":"ቅኑዕ ስሙ ኣርቲስ ልዮን ኣይቪ ጁንየር ዝኾነ ራፐር ኩሊዮ ኣብ መበል 59 ዓመቱ ከምዝሞተ ተፈሊጡ። ኩልዮ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ገዛ ሓደ ዓርኩ፡ ኣብ ምድሪቤት ሽቓቕ ወዲቑ ከምዝተረኸበ ኣካያዲ ስራሕኡ ጃረዝ ፖዚ ንማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ሓቢሩ። ኩሊዮ ካብ 1980ታት ኣትሒዙ ሙዚቃ ይሰርሕ ምንባሩ ይፍለጥ። ኣብ 1995 ‘ጋንግስታ ፓራዳይዝ’ ብትብል ደርፉ ግራሚ ምስ ተዓወተ ግን ኣብ ታሪኽ ሂፕ ሆፕ ዘለዎ ቦታ ኣጽኒዑ። እታ ደርፊ፡ ናይታ ‘ዴንጀረስ ማይንድስ’ ዘርእስታ ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 78 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ዝረኸበት ፊልም መሰነይታ ኮይና እያ። በቲ ዜና \"ልባ ከም ዝተሰብረ\" ኣብ ኢንስታግራም ዝጸሓፈት እታ ኣብታ ፊልም ዝተዋስአት ሚሸል ፋይፈር፡ \"ፊልምና ብዙሕ ዓወት ዝረኣየትሉ ምኽንያት\" ደርፊ ኩሊዮ እዩ ኢላ። \"ፈጺሙ ብሓጺሩ ዝቖጽየ ህይወት\" ብምባል እታ ተዋሳኢት ዝተሰምዓ ሓዘን ገሊጻ ፍሉጥ ጸሊም ስነጥበባዊ ስኑፕ ዶግ ብወገኑ፡ ነታ ደርፊ ጠቒሱ፡ ንሱን ኩሊዮን ኣብ 2006 ዝተሓባበሩላ ትራክ ጋንግስታ ዝተሰኣልዎ ስእሊ ዘርጊሑ። ራፐርን ተዋሳኣይን ኣይስ ኪዩብ ድማ፡ \"እዚ ዘሕዝን ዜና'ዩ። ኩሊዮ ናብ ላዕሊ ጥርዚ እቲ ኢንዳስትሪ ሙዚቃ ክዓብይ ተዓዚበ እየ\" ክብል እንከሎ፡ ቫኒላ ኣይስ'ውን \"እቲ ጥዑይ ኣርከይ ኩሊዮ ከም ዝሞተ ሰሚዐ ተጸሊለ\" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። ራፐር ኤም ሲ ሃመር ንኩሊዮ \"ሓደ ካብቶም ዝፈልጦም ደስ ዝብሉ ሰብኡት\" ክብል ገሊጽዎ። ተዓዋቲ ሽልማት ኦስካር ዝኾነ ሙዚቀኛን ዳይረክተርን ክዌስትሎቭ ከኣ ኣብ ትዊተር \"ሰላማዊ ጉዕዞ ይግበረልካ ሓውና\" ኢሉ ጽሒፉ። ራፐር ፍሌቨር ፍላቭ፡ ንሱን ኩሊዮን \"ኣብ ሰሉስ ብሓባር ምርኢት ከቕርቡ\" መደብ ከምዝነበሮም ሓቢሩ። ድምጻዊት ደቢ ሃሪ \"ብኽብሪ ዕረፍ\" ብምባል ዘለዋ ናእዳን ኣድናቖትን ገሊጻ። ራፐር ኤልኤል ኩል ጄ ድማ ብተመሳሳሊ ምስ \"ፍቕሪን ክብሪን\" ዝብል መልእኽቲ ጽሒፉ። ሙዚቀኛ ኣል ያንኮቪች እውን ምስ'ቲ ነፍስሄር ራፐር ዝተሰኣሎ ስእሊ ብምልጣፍ ሓዘኑ ገሊጹ'ሎ። ጠንቂ ሞት ናይቲ ህቡብ ስነጥበባዊ ክሳብ ሕጂ ኣይተፈልጠን። ይኹን እምበር ፖዚ፡ እቶም ዝወሰድዎ ሓካይም ምስ ልቢ ዝተኣሳሰር ሕማም ክኸውን ይኽእል ዝብል እምነት ከምዘለዎም ተዛሪቡ። ኣብ 90ታት ኣብ መድረኽ ሙዚቃ ራፕ ምዕራባዊ ገማግም (ዌስት ኮስት) ኣሜሪካ ፍሉጥ ዝነበረ ኩሊዮ ኣብ ክፍለሃገር ፔንስልቨንያ ተወሊዱ፡ ኣብቲ ሞያኡ ዘዐንበበሉ ከባቢ ሎስ ኣንጀለስ፡ ኮምፕተን ድማ ዓብዩ። ቅድሚ ምሉእ ግዜኡ ንሂፕ-ሆፕ ምውፋዩ ኣብ ከባቢ ሳን ሆዜ ከም ወለንተኛ ኣባል መጥፋእቲ ሓዊ ኮይኑ ሰሪሑ እዩ። ንሱ ኣብ 1994 ንጋዜጣ ሎስ ኣንጀለስ ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት \"ሞራሉ ንምጽራይ ዝኸውን መንገዲ\" ስለዝኾነ ከምኡ ከምዝገበረ ገሊጹ ነይሩ። \"ኣብ ምጥፋእ ሓዊ ዝወሃብ ስልጠና ዘድልየኒ ዝነበረ ስነ-ስርዓት እዩ ነይሩ\" ኢሉ። \"መዓልታዊ ንጎዪ ነይርና። ኣነ ኣይሰትን፡ ሽጋራ ኣየትክኽን ወይ ከምቲ ልሙድ ዝገብሮ ዝነበርኩ ነገራት ኣይገብርን ነይረ።\" ንሱ ጋንግስታ ራፐር ዝብል መጸውዒ ነጺጉ፡ ኣብ ክንድኡ ኩሉ መዳያዊ ኣዘናጋዒ ዝብል ተራ ይመርጽ። ኩሊዮ፡ ኣብ 2009 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝነበረ ሴሌብሪቲ ቢግ ብራዘር ሓዊሱ ኣብ ዓሰርተታት ፊልምታትን መደባት ተለቪዢንን ዝተዋስአ ንፉዕ ኣሰናዳኢን ተዋሳኣይን'ዩ ነይሩ። ‘ኩኪንግ ዊዝ ኩሊዮ’ ዝብል መጽሓፍን ተኸታታሊ መደብ ኢንተርኔትን እውን ኣዳልዩ እዩ። ክሳብ ዝሞተሉ እዋን ንጡፍ ዝነበረ ኩሊዮ፡ እኒ ቫኒላ ኣይስን ያንግ ኤም ሲን ሓዊሱ ምስ ካልኦት ኮኾባት 90ታት ዑደት ኣብ ምግባር'ዩ ጸኒሑ። ቅድሚ ሒደት መዓልታት እውን ኣብ ቴክሳስ ምርኢት ኣቕሪቦም ነይሮም። ኣብ 1996 ዝተመርዓወ ኩሊዮ ምስ በዓልቲ ቤቱ ነበር ጆሴፋ ሳሊናስ ኣርባዕተ ቆልዑ ኣፍርዮም እዮም።","category":"ፊልም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cxwrzgxwy0lo"} {"headline":"ዊል ስሚዝ ስለምንታይ ንክሪስ ሮክ ከምዝጸፍዖ ንፈለማ እዋን ተዛሪቡ","content":"ዊል ስሚዝ፡ ብሰንኪ ዝነበሮ \"ዝተዓብጠ\" ቁጠዐ ንኮመድያን ክሪስ ሮክ ኣብ መድረኽ ሽልማት ኦስካር ክጸፍዖ ከምዝተደፋፍአ ተዛሪቡ። እቲ ፍሉጥ ተዋሳኣይ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ዘጋጠመ ፍጻመ ንፈለማ እዋን'ዩ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ተዛሪቡ ዘሎ። ንሱ፡ ሓዳስ ፊልም ንምፍላጥ ምስ ኣቕራቢ መደብ ተለቪዥን 'ዘ ደይሊ ሾው' ዝኾነ ኮመድያን ትረቨር ኖዋ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት \"እንታይድ'ዩ መስለካ፡ ኣብታ ለይቲ ዘጋጠመኒ ነገር ነይሩ\" ኢሉ። \"ዋላ'ኳ ንዘርኣኹዎ ስነምግባር ምኽኑይ ዝገብር እንተዘይኮነ. . .ዝተዳቐቑን ዝተሓላለኹን ነገራት ዝነበርዎ'ዩ\" ክብል ገሊጹ። \"በቃ ርእሰይ'የ ስሒተ\" ብምባል ድማ፡ ናብኡ ዘብጽሖ ውህሉል ቁጠዐ ኣብ ውሽጡ ከምዝነበረ ተዛሪቡ። ኣብቲ ኣብ ሆሊዉድ ዝተኻየደ ጽንብል ሽልማት ኦስካር፡ ንሕጹያትን ዕዉታትን ንምፍላጥ ኣብ መድረኽ ዝደየበ ተዋዛያይ ክሪስ ሮክ ብዛዕባ ልጹይ ርእሲ ብዓልቲ ቤቱ ጄዳ ድሕሪ ምጭራቑ፡ በዚ ዝሓረቐ ዊል ስሚዝ ናብ መደረኽ ደዪቡ ነቲ ኮመድያን ጸፊዕዎ። ኣብታ ምሸት፡ ድሕሪ'ቲ ፍጻመ ዊል ስሚዝ ሽልማት ኦስካር ከምዝተዓወተ ይዝከር። \"ክሳዕ ክንደይ ንሰባት ዘሰንበደ ምንባሩ ይርዳኣኒ'ዩ\" ዝበለ እቲ ህቡብ ተዋሳኣይን ደራፋይን፡ \"ከይደ'የ ነይረ። ንነዊሕ እዋን ተዓቢጡ ዝጸንሐ ቁጠዐ'ዩ ነይሩ\" ክብል ገሊጽዎ። ዝፈጸሞ ተግባር ዘስዓቦ ጓሂን ቃንዛን ከምዝተረድኦ ዝገለጸ ስሚዝ፡ ወዲ 9 ዓመት ወዲ ሓፍቱ ኣብታ ምሸት ዝሃቦ ግብረመልሲ ዘኪሩ። \"ሽኮሪና ንእሽቶ ወዲ'ዩ. . . ንገዛ ተመሊስና፡ ንኣኮኡ ንምዕዛብ ከይደቀሰ ጸኒሑ። ኣብ ክሽነና ኮፍ ኢልና፡ ንሽልማት ኦስካር ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣብ ሰለፈይ ተሰቒሉ ነይሩ። ድሓር 'ኣኮይ፡ ስለምንታይ ነቲ ሰብኣይ ሃሪምካዮ?' ይብለኒ\"። \"ሕማቕ'ዩ ነይሩ\" ክብል ነቲ ኩነታት እናነብዐ ተዛሪብሉ። ድሕሪ'ቲ ፍጻመ ንፈለማ እዋን'ዩ ምስቲ ኣመሪካዊ መደብ ተለቪዢን ቃለ መሕትት ኣካይዱ። ንትረቨር ኖዋ ኣብ ዝሃቦ መልሲ \" ሰባት ጎዲአ ሰባት ጎዲአ' ዝብል ክልሰ-ሓሳብ ብግብሪ ከስተውዕሎ ከምዝኻኣለ ይዛረብ። እንታይ ከምዝደፋፍኦ ክዛረብ እንከሎ ድማ፡ \"ብዙሕ ነገር'ዩ። እቲ ወላዲኡ ንኣዲኡ ክሃርማ ዝርኣየ ንእሽቶይ ቆልዓ'ዩ፡ ተረዲኡካ። ኩሉ'ዚ ኣብታ ህሞት ገንፊሉ። ከምኡ [ዓይነት ሰብ] ክኸውን ኣይኮነን ድልየተይ\"። ዊል ስሚዝ፡ ኣብ ሓደ ዘቤታዊ ጎነጽ ዘለዎ ስድራቤት ከምዝዓበየ ቅድሚኡ ተዛሪቡ ነይሩ'ዩ። እቲ ንዛንታ ሂወቱ ዝገልጽ መጽሓፉ፡ ብዛዕባ ዘሕዘን ፍጻሜታት መጥቃዕቲ ኣቦኡ ኣብ ልዕሊ ኣዲኡ ይትርኽ። እቲ ሕማቕ ተመክሮ ንቁልዕነቱ ከምዝጸለዎን፡ ናብ ሞያ ስነጥበብን ፊልምን ክኣቱ ከምዝደረኾን'ውን ኣብቲ መጽሓፍ ኣዘንትዩ'ሎ። ዊል ስሚዝ ኣብ መድረክ ሽልማት ኣካዳሚ ኦስካር ብጽፍዒት ንዝሃረሞ ክሪስ ሮክ \"ዘይቕቡልን ይቕረ ዘይብሃሎን\" ባህሪ ከምዘርአየ ብምግላጽ ድሕሪ'ቲ ፍጻመ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ይቕሬታ ሓቲቱ ነይሩ'ዩ። \"ክሪስ፡ ብወግዒ ይቕሬታ ክሓተካ ይደሊ፡ ዶብ ጥሒሰን ተጋግየን'የ\" ኢሉ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ብቓሉ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ \"እቲ ሓደ ክብሎ ዝደሊ፡ ሰብ ብምንታይ ይሓልፍ ከምዘሎ ክትፈልጥ ኣይትኽእልን ኢኻ\" ኢሉ። ኣብቲ እዋን እንታይ ኣጋጢምዎ ከምዝነበረ ግን ብንጹር ኣይጠቐሰን። ንዕዱማት ናይቲ መደብ እናመልከተ \"ኣብዛ ግዜ እዚኣ እዞም ተዓዘብቲ፡ ጥቓ ዘይተፈልጥዎ ሰባት ኮፍ ኢልኩም ኣለኹም፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ወላዲቶም ዝመተቶም ይህልዉ. . .ቆልዓ ዝሓመሞም። ዝነበሮም ስራሕ ዝሰኣኑ። መጻምድቶም እሙናት ዘይኮኑ [ይህልዉ]\" ኢሉ። \"ከምዚኦም ነገራት ኣለዉ፡ ሰባት ብምንታይ ይሓልፉ ክትፈልጥ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣነ'ውን ዝሓልፎ ዝነበርኩ ነገር ነይሩኒ ኣብታ ምሸት\"። ድሕሪ'ቲ ጽንብል ሽልማት ኦስካር \"ሰብ ብምዃነይ ንርሰይ ይቕረ ክብለላ ነይሩኒ\"። \"እመነኒ፡ ሰብ ምዃነይ ካባይ ንላዕሊ ዘሕርቖ ዋላሓደ የለን. . . ኩሉ ሳዕ 'ሰፑርማን' [ካብ ሰብ ንላዕሊ] ክኸውን'ዩ ድልየተይ ነይሩ። ኩሉ ሳዕ ደበኽ ኢለ ንዝተወጽዐ ንምድሓን'ዩ ነይሩ ባህገይ\"። \"ግና፡ ርእሰይ ከትሕትን ጎደሎ ሰብ ምዃነይ ከስተውዕልን ነይሩኒ። ሕጂ'ውን ናብ ዓለም ወጺአ ኣብ ልበይ ዘሎኒ ብምብርካት ንካልኦት ክድግፍ ተስፋ እገብር\" ይብል ዊል ስሚዝ። እቲ ወዲ 54 ዓመት፡ ብሰንኪ'ቲ ፍጻመ ኣብ ሽልማት ኦስካር ከይሳተፍ ን10 ዓመታት ከምዝተኣገደን፡ ካብቲ ነቲ ሽልማት ዘዳሉ 'ኣካዳሚ' ከምዝወረደን ይዝከር። ብዓልቲ ቤቱ ዴዳ፡ 'ኣልፒሲያ' ዝተባህለ ጸጉሪ ርእሲ ዘርግፍ ሕማም ከም ዘለዋ ቅድሚ'ቲ ፍጻመ ገሊጻ ምንባራ ይፍለጥ። ዊል ስሚዝ ዝሰርሓ ሓዳስ ፊልም ንምፍላጥ'ዩ ትማሊ ሰኑይ ናብቲ መደብ ቀሪቡ ብዛዕባ'ቲ ናይ ኦስካር ፍጻመ ተዛሪቡ። እታ 'ኣግእዞ' (ኢማኑስፔሽን) ዘርእስታ ፊልም፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ክትዝርጋሕ ትጽቢት ይግበር። እዚ ድማ፡ እታ ፊልእም ኣብ ዝቕጽል ሽልማት ኦስካር ንክትወዳደር ዕድል ዝህብ'ዩ። ስሚዝ፡ ኣብታ 'ኪንግ ሪቻርድ' እትብል ንዛንታ ሂወት ወላዲ ፍሉጣት ተጻወቲ ቴንስ ባይታ ሰሬና ዊልያምስን ቨኑስ ዊልያምስን እትገልጽ ፊልም ብሉጽ ተዋሳይ ብምዃን ናይዚ ዓመት ሽልማት ኦስካር ዓቲሩ'ዩ። እዛ ሓዳስ በቲ ፍጻመ ክትድወን ከምእትኽል ምሕሳብ ንባዕሉ \"ጣዕ የብለኒ\" ክብል ዘለዎ ስክፍታ ገሊጹ። \"እንተወሓደ ፍረ ጻዕሪ ናይቶም ኣብታ ፊልም ዝተዋስኡ ስነጥበበኛታት ክብሪ ክወሃቦን \"ዕዮኦም በቲ ኣነ ዝፈጸምክዎ ዘሕዝን ውሳነ ከይጽየቕን ተስፋ እገብር\"።","category":"ፊልም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyxepn4qd39o"} {"headline":"ስዑዲ ዓረብ፡ 'ሶዶምነት የተባብዑ' እትብሎም ቀስተ-ደመና ዝሕብሮም ኣቝሑ ካብ ድኳናት ተወግድ","content":"ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ሕብሪ ቀስተ-ደመና ዘለዎም መፃወቲ ቘልዑን ክዳውንትን ንግብረ-ሶዶማውነት ዘተባብዑ ከምዝዀኑ ብምግላጽ ካብ ድኳናት ተወግዶም ምህላዋ ተሌቪዥን 'ታ ሃገር ገሊጹ። እቲ ብተሌቪዥን ኣል-ኤክባርያ ዝቐረበ ዜና ከም ዘመልክቶ፡ ሰብመዚ ንግዲ እታ ሃገር ኣብ ከተማ ሪያድ ዝርከባ ትካላት ንግዲ ዝሓዛኦም ቀስተ-ደመና ዝሕብሮም ኣዝዮም ብዙሓት ኣቝሑ ኣልዮም ኣለዉ። መትሓዙ ጸጉሪ ርእሲ፡ ማልያታት፡ ቆቢዕ፡ መትሓዙ ርሳስ ካብ ሞንጎ እቶም ከም ዝእለዩ ዝተገብሩ ኣቝሑ እዮም። ሓደ በዓል ስልጣን ስዑዲ፡ እቶም ናውቲ \"ንእምነት እስልምናን ሞራል ሕብረተሰብን ዝፃረሩ፣ ንግብረ-ሶዶምነት ዘንጸባርቕን ዘተባብዕን ሕብሪታት ዘለዎም፣ ንሓድሽ ወለዶ ዒላማ ዝገበሩን እዮም፡\" ክብል ገሊፁ'ሎ። ሚኒስትሪ ንግዲ እታ ሃገር ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኣባላቱ \"ምድንጋራት ዝፈጥሩ ንሓባራዊ ክብርታት ዝጻባእ ትእምርቲ ወይ ምልክት ዘለዎም ኣቑሑ\" ከምዝሃገሩ ኣፍሊጡ። እተን ከምዚ ዓይነት ኣቑሑ ክሸጣ ዝተረኽባ ድኳናት'ውን ሕጋዊ ስጕምቲ ከም ዝውሰደለን እቲ ሚኒስተር ኣጠንቂቑ'ሎ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ'ውን ቐጠር ሕብሪ ቀስተ-ደመና ዘለዎም ኣቝሑ ቘልዑ \"ንእስላማዊ ክብርታት ዝጻረር መልእኽቲ ዘለዎም እዮም\" ብምባል ካብ ድኳናት ከም ዝኣለየት ይዝከር። እታ ሱኒ እስላም እትኽተል ስዑዲ ዓረብ፡ ንጾታዊ ዝንባለ ወይ ጾታዊ መንነት ዝምልከት ሕጊ'ኳ እንተዘይብላ፡ ካብ ሓዳር ወጻኢ ዝግበር ጾታዊ ርክብ፡ ይዅን ግብረሰዶማዊ ጾታዊ ርክብ ግን ብጥብቂ ክልኩል እዩ። ብመሰረት ኣተረጓጕማኣ ንእስላማዊ ሕጊ ድማ፡ ሕደ-ጾታውያን ከከም ኵነታት ርክቦም ክሳብ ብሞት ዝበጽሕ መቕጻዕቲ ክትህብ ጸኒሓ እያ። ኣብታ ሃገር፡ ወዲ ተባዕታይ ኰይኑ \"ጓል ኣንስተይቲ መሲሉ ክርአ ዝፍትን\" ወይ ክዳን ደቂኣንስትዮ ዝተኸደነ፡ ከምኡ'ውን ጓልኣንስተይቲ ኮይና ወዲ ክትመስል እትፍትንን ክዳን ደቂ ተባዕትዮ እትኽደንን ብሕጊ ተሓተትቲ እዮም። ብዘይካ'ዚ፡ ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኣብ ኦንላይን \"ንሕጊ ማሕበረሰብ፡ ክብርታት ሃይማኖት፡ ሕብረተሰባዊ ሞራል\" ዝጻረር ነገራት ዘቕረቡ ዘይሕጋውያን ይቝጸሩ። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ \"ዶክተር ስትረንጅ\" ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ፊልም ኣብ ኣብያተ ሲነማ ስዑዲ ዓረብ ከይረኣይ ተኣጊዱ ነይሩ። ቀንዲ ምኽንያት ከኣ \"ንሕደ ጾታውነት ዝምልከቱ\" ትሕዝቶታት ካብቲ ፊልም ክእለዩ ዝጠልብ ሕቶ ሰበስልጣን እታ ሃገር ብኣዳለዊ እቲ ፊልም ዲስነይ (Disney) ተቐባልነት ዘይምርካቡ ነይሩ። ንትካል ፊልም ዲስነይ ዝቐረበ ምንጪ ብሰሉስ ንወኪል ዜና ኤኤፍፒ ከምዝሓበሮ፡ 'ላይት ይር' ዝብል ዝኣርእስቱ ሓድሽ ኣኒሜሽን ፊልም'ውን ተመሳሳሊ ፆታ ዘለዎም ገፀ-ባህርያት ክሰዓዓሙ ስለ ዝረኣዩ ብሰበስልጣን ስዑዲ ተኣጊዱ። ሰበስልጣን ስዑዲ ነቲ ዝተወሰደ ስጉምቲ ብዝምልከት ዝሃብዎ መረጋገፂ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከባ ክልተ ዓበይቲ ትካላት ሲነማ ግን ነቲ ፊልም ከርእያ ምዃነን ዝገልጽ መወዓውዒ ከቕርባ ኣይተራእያን። ሚኒስትሪ ባህሊ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነቲ 'ላይት ይር' [Lightyear] ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ፊልም \"ንደረጃታት ትሕዝቶ ሚድያ እታ ሃገር ዝጥሕስ\" ብዝብል ብሰኑይ ከምዝኣገዶ ኣፍሊጡ'ሎ።","category":"ፊልም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c721d1w8lp7o"} {"headline":"ኔትፍሊክስ ንፍሉጥ ፊልም 'ስኲድ ጌም' ብመልክዕ ሪያሊቲ ሾው ከምፅኦ ምዃኑ ሓቢሩ","content":"ፊልምታት፣ ሰነዳዊ ፊልምታትን ካልኦት ናይ ቴሌቪዥን ፕሮግራማትን ኣብ ኦንላይን ብምቕራብ ዝፍለጥ ኔትፍሊክስ ነቲ ዝለዓለ ተፈላጥነትን ተፈታውነትን ዝረኸበ 'ስኲድ ጌም' ብመልክዕ ሪያሊቲ ሾው ከቕርቦ ወሲኑ። ኣብዚ እዋን ኣብቲ ውድድር ዝሳተፉ ሰባት ኣብ ምምዝጋብ ዝርከብ ኮይኑ፡ ኣስታት 4 ነጥቢ 56 ሚልዮን ዶላር ንሽልማት ከምዝተዳለወ'ውን ሓቢሩ። እንተኾነ እቲ ውድድር ልክዕ ከምቲ ኣብ ደቡብ ኮሪያዊ ፊልም 'ስኲድ ጌም' ዝረኣይ ተሳተፍቲ ዝሞቱሉ ወይ ብህይወት ዝተርፍሉ ኣይኸውንን። ካብ ሙሉእ ዓለም ዝተኣኻኸቡ 456 ተወዳደቲ ኣብቲ ፀዋታ ዝሳተፉ ኮይኖም፤ \"እቲ ዝኸፍአ ዕጭኦም ድማ ካብቲ ሽልማት ዋላ ሓደ ከይረኸቡ ምስንባት ይኸውን\" ተባሂሉ'ሎ። ንተዓወትቲ 4.56 ሚልዮን ዶላር (3.8 ሚልዮን ፓውንድ) ከምዝተዳለወ ይግለፅ። ኔትፍሊክስ ኣብ ዝዘርግሖ መግለፂ እቲ በዓል 10 ምዕራፋት ተኸታታሊ ፀዋታ 'ስኲድ ጌም፡ ዘ ቻለንጅ\" ኣብ ታሪኽ ሪያሊቲ ሾው እቲ ዝለዓለ ሽልማት ንምሃብ ከምዝተዳለወ ይጠቅስ። እቲ ብደረጃ ዓለም ዝለዓለ ተፈላጥነት ዝረኸበ ተኸታታሊ ፊልም ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ካልኣይ ምዕራፍ [second season] ክፍኖ ምዃኑ ሓቢሩ። ተወዳደርቲ ናይቲ ሪያሊቲ ሾው \"ካብቲ ፊልም ብዝተወሰዱ ፀዋታትን ካልኦት ተወሰኽቲ ንጥፈታትን ዝፍተኑ ኮይኖም ዘይከኣሉ እናተኣለዩ ዝኸኣሉ ጥራሕ ናብ ዝቕጽል ክሰግሩ ክግበር'ዩ። ተሳተፍቲ ዕድሚኦም 21 ዓመትን ልዕሊኡን ክኸውን ከምኡ ድማ እንግሊዝኛ ኣፀቢቖም ምዝራብ ዝኽእሉ ክኾኑ ኣለዎም። ኣብ መእተዊ 2013 ኣብ ዝካየድ ን4 ሰሙን ዝፀንሕ ቀረፃ (ፊልሚንግ) ክርከቡ ክኽእሉ ኣለዎም። ኣብቲ ውድድር ዝሳተፉ ሰባት ብዝሖም 456 ክኸውን ዝተደለየሉ ምኽንያት ምስቲ ኣብ ተኸታታሊ ፊልም 'ስኲድ ጌም' ዘሎ ቁፅሪ ክመሳሰል ስለዝተደለየ እዩ። እቲ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝተሰርሐ ፊልም መበገሲኡ ህፃናት ንዝፃወትዎም ዓይነታት ፀዋታ መሰረት ዝገብር ኮይኑ፡ ኣብቲ ፊልም ዘለዉ ገፀባህርያት ንዝተዳለወሎም ሽልማት ገንዘብ ክማወቱን ዘይከኣሉ ድማ ክቕተሉን ይረኣዩ። ኩሎም ገፀባህርያት ኣብ መነባብርኦም ብብዙሕ ልቓሕ ገንዘብ ኣብ ከቢድ ዕዳታት ዝኣተዉ እዮም። እቲ ፊልም ኣብ ታሪኽ ኔትፍሊክስ ብብዙሓት ዝተረኣየን ተፈላጥነት ዝረኸበን ክኸውን በቒዑ'ሎ። ንፈለማ ምስተፈነወ ኣብ ውሽጢ 28 መዓልታት ጥራሕ ብ111 ሚልዮን ተጠቀምቲ ኔትፍሊክስ ክረኣይ በቒዑ።","category":"ፊልም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2r125q0qro"} {"headline":"ንወላዲቱ ዝቐተለ ካናዳዊ ተዋሳኣይ ንሕልፈት ተፈሪዱ","content":"ካናዳዊ ተዋሳኣይ ራየን ግራንታም፡ ንኣዲኡ ብምቕታሉ ንሕልፈት ክእሰር ተፈሪዱ። ንሱ፡ ባርባራ ዋይት ንዝተባሃለት ኣዲኡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ከምዝቐተለ ቤትፍርዲ ሓቢሩ። እቲ ወዲ 24 ዓመት ተዋሳኣይ ‘ሪቨርዴል’ ኣብ ዝተሰመየ ፍሉጥ ናይ መንእሰያት ተኸታታሊ ድራማ ጀፍሪ ኦገስቲን ዝተባሃለ ገጸ ባህርይ ተላቢሱ እዩ ተዋሲኡ። እቲ ብይን ብረቡዕ ኣብ ከተማ ቫንኩቨር ኣብ ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሪቲሽ ኮሎምብያ እዩ ተዋሂቡ። እቲ ተዋሳኣይ ነቲ ገበን ከምዝፈጸሞ ምእማኑ’ውን ተገሊጹ። ብዘይካ’ዚ ንቀዳማይ ሚኒስተር ጀስቲን ትሩዶ’ውን ንምቕታል ወጢኑ ምንባሩ ኣኽባር ሕጊ ሓቢሩ። እቲ ተዋሳኣይ፡ ኣዲኡ፡ ኣብ ቫንኩቨር ኣብ ዝርከብ ገዝኣ ፒያኖ እናተጻወተት እንከላ ብድሕሪኣ ተኲሱ ከምዝቐተላ ተኣሚኑ። ኣብ ሞባይል ቴለፎኑ ኣብ ዝቐድሖ ቪድዮ “ብድሕሪኣ ተኲሰ ኣብ ርእሳ ሃሪመያ። ኣነ ከምዝተኮስኩላ ፈሊጣ ነይራ” ክብል ተሰሚዑ። ድሕሪ እቲ ቅትለት፡ ቢራ ሰትዩን ሓሽሽ ተጠቂሙን፡ ሰለስተ ሽጉጥን ባዕሉ ዘዳለዎ ተባራዒ፡ ኣብ ጫካ ንምጽናሕ ዘድሊ ነገራት ከምኡ’ውን ናብ ገዛ ቀዳማይ ሚኒስተር ጀስቲን ትሩዶ ዝወስድ ካርታ ሒዙ እዩ ተረኺቡ። እንተኾነ ግና፡ ካብ ገዝኡ ርሒቑ ከባቢ 200 ኪሜ መኪናኡ ድሕሪ ምዝዋሩ ናብ መደበር ፖሊስ ቫንኩቨር ብምኻድ “ነደይ ቀቲለ” ብምባል ኢዱ ከምዝሃበ ተገሊጹ። ኢዱ ቅድሚ ምሃቡ፡ ‘ላዮንስ ጌት ብሪጅ’ ወይ’ውን ሳይመን ፍራሰር ዩኒቨርስቲ ብምኻድ ብዙሓት ክቐትል ውጥን ከምዝነበሮ ፖሊስ ሓቢሩ። ሳይመን ፍራሰር ዩኒቨርስቲ እቲ ተዋስኣይ ትምህርቱ ዝዛመሉ እዩ። ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ብተዋስኦ ዝፍለጥ ራየን፡ ኣብ 2019 ‘ሪቨርዴል’፡ ‘ሱፐርናቹራል’ ከምኡ’ውን ‘ዳያሪ ኦፍ ኤ ዊምፒ ኪድ’ ኣብ ዝተባሃሉ ፊልምታት ተዋሲኡ። ንሱ ካብቲ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወሉ እዋን ጀሚሩ ክትትል ጥዕና ኣእምሮ ይግበረሉ ምህላው ፖሊስ ኣፍሊጡ። ራየር ብጭንቀትን ጸቕጥን ይሳቐ ምንባሩ ጠበቃኡ ኣብ እዋን እቲ መስርሕ ፍርዲ ተዛሪቡ። ኣዲኡ ቅድሚ ምቕታሉ ቅድሚ ኣዋርሕ፡ ካልኦት ሰባትን ገዛእ ርእሱን ናይ ምቕታልን ዝንባለታት ከምዝነበሮ’ውን ተገሊጹ። እቲ ተዋሳኣይ ይግባይ ክሓትት ዝኽእል ካብቲ ዝተዋሃቦ ብይን ነቲ 14 ዓመታት ምስ ዛዘመ እዩ።","category":"ፊልም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c97e3vp9ynlo"} {"headline":"ብራዚል፡ ኔትፍሊክስ 'ንየሱስ ክርስቶስ ከም ግብረሰዶማዊ' ገይሩ ዘዘንቱ ፊልም ከየርእይ ተኣጊዱ","content":"መርበብ ፊልም ኔትፍሊክስ ንየሱስ ክርስቶስ ከም ግብረሰዶማዊ ገይሩ ዘዘንቱ ፊልም ንህዝቢ ካብ ምርኣይ ከቋርጽ፡ ሓደ ብራዚላዊ ዳኛ ወሲኑ። እቲ 'ዘ ፈርስት ቴምፕተሽን ኦፍ ክራይስት' (ፈላማይ ፈተና የሱስ) ዘርእስቱ ፊልም ንብዙሓት ዓቃባውያን ክርስትያናት ኣቖጢዑ ኣሎ። እቲ ፊልም ክውገድ ንዝጠልብ ምሕጽንታ (ፐቲሽን)፡ ክልተ ሚልዮን ዝበጽሑ ሰባት ከክትምዎ ከለው፡ ነቲ ፊልም ዘፍረየ ኩባንያ፡ 'ፖርታ ዶስ ፋንዶስ' ድማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጥቃዕቲ በጺሕዎ ነይሩ። ነቲ ኣንጻር ኔትፍሊክስ ዝተወሃበ ብይን ኣመልኪቱ እቲ ዳኛ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ \"ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት፡ . . . ፍጹም ኣይኮነን\" ኢሉ። ዳኛ በነዲክቶ ኣቢካይ ወሲኹ፡ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ውሳነ ክሳብ ዝህበሉ እቲ ግዚያዊ ውሳኒኡ፡ ነቶም ተቖጢዖም ዘለው ክርስትያናት ዘዕግብ ምዃኑ ሓቢሩ። ዛጊት ግና መርበብ ፊልምታት ኔትፍሊክስ ኮነ ፖርታ ዶስ ፋንዶስ ነቲ ውሳነ ኣመልኪቶም ርእይቶ ኣይሃቡን። እቲ ናይ ጭርቃን ፊልም ኣብ ዩትዩብ ብዝነጥፍ ብራዚላዊ ጉጅለ ኮመዲ 'ፖርታ ዶስ ፉንዶስ' እዩ ፈርዩ። ኣብ ድሮ በዓል ልደት፡ ገለ ጉጅለ ሰባት ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብ ሪዮ ዲ ጃነይሮ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ፖርታ ዶስ ፉነዶስ መጥቃዕቲ ኣብጺሖምሉ። ሓደ ካብቶም ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ዝተጠርጠሩ ሰባት፡ ናብ ሩስያ ከም ዝሃደመን፡ ኣብ ቀይዲ ንምእታዉ ኢንተርፖል ይሰርሕ ከም ዘሎን ተገሊጹ። ሕሉፍ የማናዊ መርገጺ ዘለዎ ፕረዚደንት ብራዚል ጀይር ቦልሶናሮ፡ ሓደ እዋን፡ ወዱ ግብረሰዶማዊ ካብ ዝኸውን ውላድ ከይህልዎ ከም ዝመርጽ ተዛሪቡ ነይሩ። ወዱ ኤድዋርዶ ቦልሶናሮ፡ ነቲ ናይ ኔትፍሊክስ ምርኢት \"ጓሓፍ\" ብምባል \"ንሕብረተሰብ ብራዚል ከም ዘይውክል\" ኣብ ትዊተር ሓቢሩ።","category":"ፊልም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51044216"} {"headline":"ኮኾብ ተዋሳኢት ሆሊውድ፡ እልፍነሽ ኣስፍሃ ሃደራ፡ መቐለ ኣትያ","content":"ኣብቲ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ዝተገበረላ ፅምብል ኣቀባብላ ወለዳ፣ ስድርኣ ከምኡ እውን ልኡል ራእሲ መንገሻ ስዩም ክርከቡ እንከለው፤ በቲ ዝተገበረላ ኣቀባብላ ኣዝያ ከምዝተሓጎሰት ንቢቢሲ ተዛሪባ።","category":"ፊልም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51247967"} {"headline":"እድሪስ ኢልባ፡ \"ዜግነት፡እቲ ካብ ሃገረይ ክረኽቦ ዝኽእል ዜግነት ዝዓበየ ክብሪ እዩ\"","content":"ብሉጽ ብሪጣንያዊ ተዋሳኣይ እድሪስ ኢልባ፡ ናብ ትውልዲ ዓዲ ወላዲኡ ሰራልዮን ንመጀመርታ እዋን ወግዓዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ፡ ዜግነት ናይታ ሃገር ተዋሂብዎ። ንሱ ብዛዕባ እቲ ዝተዋህቦ ዘግነት ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ \"ዘግነት፡ እቲ ካብ ሃገረይ ክረኽቦ ዝኽእል ዜግነት ዝዓበየ ክብሪ እዩ\" ክብል ገሊጽዎ። \"ኣነ ንኣፍሪቃ ሓዲሽ ኣይኮንኩን፤ ኣብ ኣፍሪቃ ብዙሕ ፊልምታት ሰሪሐን ብዛዕባ ኣፍሪቃ ተቓሊሰን እየ\" ድሕሪ ምባል፡ \"ኣብ ሰራልዮን ምስ ኣተኹ ገዛ ስድራቤተይ ስለዝኾነ ዝተሰመዓኒ ስምዒት ፍሉይ እዩ\" ክብል ተዛሪቡ። \"እቲ ኣቀባብላ ኣዝዩ መሳጢ እዩ ነይሩ፤ ኣነ ከኣ ኣብቲ ዝነበረ ውዕውዕ መንፈስ ሰራልዮን ብቕልጡፍ ተጸንቢረ\" ዲዝኒ ኣብ ኣፍሪቃ እዚ ኣብ ብዙሓት ፊልምታት ዝተዋሰኣ ብሉጽ ተዋሳኣይ ፊልም፡ ኣብ ምምዕባል ቱሪዝምን መዘናግዒ ኢንዱስትሪን ሰራልዮን ወፍሪ ከካይድ ከምዝደሊ'ውን ሓቢሩ። \"ንናተይ ህርፋን ኣመሪካ ወይ ዓዲ እንግሊዝ ክሕዞ ኣይክእልን እዩ። ኣፍሪቃ ነቲ ናተይ ህርፋን ድልየትን ክሓቑፎ ይኽእል እዩ። ኣብ ኣመሪካ ክገብሮ ዘይክእል ዲዝኒ፤ ኣብዚ ክሃንጾ ይኽእል እየ\" ክብል ተዛሪቡ። እድሪስ ኢልባ ኣብ 1972 ኣብ ከተማ ለንደን ተወሊዱ። ወላዲኡ ኣብ ሰራልዮን እዩ ዓብዩ። ሕጂ ግን ብህይወት የለን። ኣዲኡ ድማ ካብ ጋና እያ። ሰራልዮን ካብ 1991 ክሳብ 2002 ብውግእ ሓድሕድ ተሓሚሳ ከምዝነበረትን፤ ካብ 2014-2016 ድማ ብሕማም ኢቦላ ኣስታት 4 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱን ቁጠባ እታ ሃገር ከምዝተጎድኣን ጸብጻባት የመልክቱ። ብሩህ መጻኢ ሰራልዮን እድሪስ ኢልባ ንምስሊ እታ ሃገር እንደገና ከሐድሶን ከበራብሮን ከምዝደሊ ሓቢሩ። ናይታ ሃገር መዘናግዒ ኢንዱስትሪ ንኽዓቢ ተኽእሎ ከምዘለዎን፤ ንዓለም ክንገር ዝኽእል ዛንታታት ከምዘለዎን ይኣምን። \"ኣብዚ ዓዲ ብዙሓት ንፉዓት ቆልዑ ኣለው። ናይ ብሓቂ በላሕቲ እዮም። ኣብ ህንጸት እቲ ናይ መዘናግዒ ኢንዱስትሪ እጃሞም ከበርክቱ ይኽእሉ እዮም\" እቲ ዝተዋህቦ ፖስፖርት ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ድማ \"እዚ ከም ወዲ ዓዲ ክምለስ ክሕግዘኒ እዩ\" ክብል ተዛሪቡ።","category":"ፊልም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/50876579"} {"headline":"‘ዘ ሮክ’ እቲ ዝለዓለ ኣታዊ ዝረኸበ ተዋሳኣይ ኮይኑ","content":"‘ዘ ሮክ’ ብዝብል ስም ዝፍለጥ ተዋሳኣይ ደዋይን ጆንሶን፡ ንካልኣይ ዓመት ኣከታቲሉ ካብ ተዋስኦ ዝበዝሐ ኣታዊ ዝረኸበ ወዲ ተባዕታይ ከምዝኾነ መጽሄት ፎርብስ ሓቢሩ። እዚ ኣብ ግጥም ነጻ ቅልስ ዝወዳደር ዝነበረ ‘ዘ ሮክ’፡ ካብ 1 ሰነ 2019 ክሳብ 1 ሰነ 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ 87.5 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝረኸበን፡ ካብዚ እቲ 23.5 ሚልዮን ዶላር ካብ ኔትፍሊክስ ዝረኸቦ ምዃኑ እታ መጺሄት ገሊጻ። ኣብዚ ዓመት ብተዋስኦ ብዝርኸብዎ ኣታዊታት ኣብ ቅድሚት ካብ ዝተሰርዑ 10 ተዋሳእቲ ብድምር 545.5 ሚልዮን ዶላር ክረኽቡ እንከለዉ ካብዚ እቲ ልዕሊ ሓደ ርብዒ ካብ ኔትፈሊክስ ዝረኸብዎ እዩ። ኣብ ፊልም ሬድ ኖቲስ (Red Notice ) ምስ ‘ዘ ሮክ’ ዝዋሳእ ርያን ረይኖልድ ኣብ ካልኣይ ደረጀ ክስራዕ እንከሎ ኣብዚ ዓመት 71.5 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ገይሩ። ተዋሳኣይ ማርክ ዋሃልበርግ’ውን 58 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ብምርካብ ኣብ ሳልሳይ ተሰሪዑ ኣሎ። ኣብ ቦሊዉድ ዝዋሳእ ኣክሻይ ኩማር፡ ካብ ቦሊውድ እቲ እንኮ ኣብ ቀዳሞት ዓሰርተ ዝተሰርዐ ኮይኑ፡ ንሱ 48.5 ሚልዮን ኣታዊ ብምርካብ ኣብ ሻዱሻይ ደረጃ ተሰሪዑ’ሎ። ካብ ደቂ ኣንስትዮ መን ዝያዳ ኣብዚ ዓመት ዝልዓለ ኣታዊ ረኺባ ዝብል ዝርዝር መጽሄት ፎርብስ ኣየውጽኦን ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግን ስካርለት ጆንሶን ኣብ ዓመት 56 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ብምርካብ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ነይራ። ንሳ ኣብቲ ዓመት ብዝረኸበቶ ኣታዊ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ተወዳዲራ’ውን ኣብ ሻሙናይ ደረጃ’ያ ተሰሪዓ ነይራ።","category":"ፊልም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53747780"} {"headline":"ካብ ውድድር ኦስካር ዝተገለፈት ኣብ ናይጀርያ ዝተሰርሐት ፊልሚ ንኣዳለውቲ ኣቖጢዑ","content":"ብናይጄርያዊት ኣላይትን ተዋሳኢትን ጃነቪቭ ናጂ ዝተዳለወት ፊልም \"ላየንሀርት\" (lion heart) ብምኽንያት ምጥቃም ቃላት ቋንቋ እንግሊዝኛ ካብ ውድድር ኦስካር ተገሊፋ። ናጂ፡ ፊልማ ካብ ብሉጽ ዓለም ለኻዊ ፊልም [Best International Feature Film] ካብ ዝብል ዓውዲ ውድድር ኦስካር ክወጽእ ስለዝተገበረ ተቓውሞኣ ገሊጻ'ላ። ኣዳለውቲ'ቲ ውድድር \"ብዙሕ ብቋንቋ እንግሊዝኛ ዝግበር ዝርርብ ሒዙ'ሎ\" ብዝብል ምስምስ፡ ነቲ ፊልሚ ካብ ውድድር ክወጽእ ከም ዝገበርዎ ተፈሊጡ። ፊልም ላየንሃርት ከኣ \"እንግሊዝኛ ብዘይኮነ ቋንቋ ዝተዓብለለ\" ዝብል ነጥቢ መምዘኒ ዝጠሓሰ ከም ዝኾነ ይግለጽ። ካብ ናይጀርያ ንፈለማ እዋን ናብ ውድድር ኦስካር ዝቐረበት ፊልም፡ ዝበዝሕ እንግሊዝኛ ዝዝረበሉ ኮይኑ፡ ንናይታ ሃገር ቋንቋ 'ኢቦ' ድማ ንሓጺር ግዜ ጥራይ ይጥቀምዎ። ብዙሕ ተቐባልነት ዝረኸበ 'ላየንሀርት'፡ ኣብ ኔትፍሊክስ [ብኦንላይን ፊልምታት ዘቕርብ] ዓለምለኻዊ ትካል ይረኣይ ኣሎ። ኣብ ውድድር ኦስካር ንጽባሕ ሮቡዕ ተመልከትቲ ርእዮም ድምፂ ክህቡሉ መደብ ተታሒዙሉ ነይሩ። ትማሊ ሰኑይ ግን ካብ ውድድር ወጻኢ ምዃኑ ዝሕብር መልእኽቲ ናብቶም ክዳንዩ ዝተዳለዉ ሰባት ተጻሒፉ። እቲ ፊልሚ ሓደ ካብቶም ብደቂኣንስትዮ ተኣልዮም [ዳይሬክት ተገይሮም] ናብቲ ውድድር ዝቐረቡ ውሑዳት ፊልምታት ከም ዝነበረ ተፈሊጡ'ሎ። ኣላይት ጀነቨቭ ናጂ፡ ኣብቲ ፊልሚ'ውን ተዋሲኣ እያ። ንሳ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሓቶ መልእኽቲ ፊልማ ካብ ውድድር ወጻኢ ክኸውን ብምኽኣሉ ተቓውሞኣ ገሊጻ። \"ነቲ ናይጀርያውያን እንጥቀመሉ ኣዘራርባ ዝውክል'ዩ\" ክትብል ገሊጻ። \"እዚ ከኣ ኣብ ሃገርና ንዝዝረቡ ልዕሊ 500 ቋንቋታት ከም ድልድል ኮይኑ ንዘግለጽ እንግሊዝኛ ዝሓውስ'ዩ። መን ክገዝኣና ኣለዎ ኣብ ዝብል ንሕና ኣይመረጽናን። ብዙሓት ዝፈተውዎ ፊልሚ ስለዝኾነ ናይጀርያዊ እዩ\" ኢላ። ካብ ፍሉጣት ኣለይቲ ፊልምታት ሆሊውድ ሓንቲ ዝኾነት ኣቫ ደቫርናይ፡ እቲ ዝተጠቐሙሉ እንግሊዝኛ ናይጀርያውያን ዝጥቀሙሉ ወግዓዊ ቋንቋ ከም ዝኾነ ኣብ ትዊተራ ሓቢራ። እንግሊዝኛ ናይ መብዛሕቲኤን ብዓባይ ብርጣንያ ዝተገዝኣ ሃገራት ኣፍሪቃ ወግዓዊ ቋንቋ እዩ።","category":"ፊልም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50298932"} {"headline":"ሽልማት ግራሚ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ንካልእ እዋን ተሰጋጊሩ","content":"ሽልማት ግራሚ 2021 ብምኽንያት ስግኣት ኮሮናቫይረስ ናብ ካልእ እዋን ከምዝተሰጋገረ ኣዳለውቲ እቲ ሽልማት ገሊፆም፡፡ ካብቶም ኣብ ኢንዱስትሪ ሙዚቃ ዝለዓለ ክብሪ ዘለዎም ሽልማት ሓደ ዝኾነ ግራሚ፡ ብኣቆጻጽራ ፈረንጂ 31 ጥሪ ክካየድ'ዩ መደብ ተታሒዝሉ ነይሩ፡፡ ኮይኑ ግና ኣብ ሎስኣንጀለስን ግዝኣት ካሊፎርንያን መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ይውስኽ ብምህላዉ፡ ሽልማት ግራሚ ናብ 14 መጋቢት ተናዊሑ ኣሎ፡፡ ነቲ ኣብዚ ዓመት ዝወሃብ ሽልማት፡ ቢዮንሴ፣ ተይለር ስዊፍትን ዱዋ ሊፓን መሪሕ ሕጹያት ኮይነን ኣለዋ፡፡ ነቲ ሽልማት ዘዳሉ ትካል ‘‘ካብ ድሕነትን ጥዕናን ማሕበረሰብ ሙዚቃን ደኺሙና እንተይበሉ ነቲ መደብ ዘዳልዉ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባትን ንላዕሊ ዘገድሰና ነገር የለን’’ ክብል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ፡፡ ነቲ መደብ ክመርሕ ተመዲቡ ዝነበረ ተዋዛዪ (ኮመዲያን) ትሬቨር ኖህ፡ ድሕሪ ምንውሑ እውን ክመርሖ ምዃኑ ኣይተነጸረን፡፡ ሽልማት ግራሚ ተናዊሕሉ ዘሎ መዓልቲ፡ ምስቲ ንተዋሳእቲ ዝወሃብ ሽልማት ጊልድ፡ ብምድራቡ ግን ማሕበር ተዋሳእቲ ቅሬትኡ ገሊጹ ኣሎ፡፡ እቲ ምድርራብ መዓልቲ ንምዕራይ ድማ ምስ ኣዳለውቲ ግራሚ ይዘራረቡ ከምዝነበሩ ኣፍሊጡ'ሎ፡፡ ሽልማት ግራሚ እዚ ዓመት፡ ከም ሽልማት ቢልቦርድን ኤምቲቪን ብኢንተርነት ክካየድ እዩ ተባሂሉ ነይሩ፡፡ ብተመሳሳሊ ሽልማት ኦስካር፣ ዘ ጎልደን ግሎብን ብሪትን እውን ንካልእ እዋን ተሓላሊፎም እዮም፡፡ ኣብታ ብኮሮናቫይረስ ዝያዳ ዝተሃሰየት ግዝኣት ካሊፎርንያ እትርከብ ከተማ ሎስኣንጀለስ: ሰራሕተኛታት ኣምቡላንስ፡ ናይ ምድሓን ዕድል ንዘይብሎም ሰባት ናብ ሆስፒታል ከየጓዓዕዙ ተኣዚዞም ኣለዉ፡፡","category":"ፊልም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55562931"} {"headline":"ኤርትራዊት ፊልም ‘ዜና ዕረፍቲ’ ኣብ ዓለማዊ ፈስቲቫል ፊልም ብ7 ሮቛሒታት ተሸሊማ","content":"ብኤፍሬም ካሕሳይ [ወዲ ኳዳ] ዝተደረሰትን ዝተኣልየትን ሓጻር ፊልም 'ዜና ዕረፍቲ' ኣብ 'ደብዝ ኦፈ ፊልድ ኢንተርናሽናል ፊልም ፈስቲቫል' (DOFIFF) ብሸውዓተ ዓውድታት ተሸሊማ። ፊልም ዜና ዕረፍቲ፡ ብርቃዊ ጸብለልታ፡ ዝበለጸ መሪሕ ጠባይ ንዝተጻወተ ተዋሳኣይ ኣብርሃም ተኽለኣብ፡ ብርቃዊ ሲነማቶግራፊ፡ ኣብ ኣልያ፡ ኣብ ኣርትዖት፡ ኣብ ጽሑፍ (ስክሪፕት) ከምኡ እውን ኣብ ብርቃዊ መሰነይታ ሙዚቃ ኣብ ዝብል እያ ሽልማት ረኺባ። ኤፍሬም ካሕሳይ፡ ነዚ ሽልማት ኣመልኪቱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ሓጺር ቃለመሕተት \"እዚ ሽልማት እዚ ፊልምታት ኤርትራ ኣብ ዓለማዊ ውድድራት ዘለዎ ብቕዓት ዘርእን ንመጻኢ ካብዚ ዝበልጽ ስርሓት ንኽንሰርሕ ዘተባብዕን'ዩ\" እዩ ክብል ተዛሪቡ። ኤፍሬም ካሕሳይ፡ 'ዜና ዕረፍቲ' ካብ በዙሓት ፊልምታት ተሓርያ ምስ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝፈረየት 'Another Yesterday' እትብል ፊልም፡ ኣብ ስፔይን ዝፈረየት 'Staring at the sea' ትብል ፊልም ከምኡ እውን ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ዝፈረየት 'Chasm' ዝብላ ፊልምታት ናብ መዛዘሚ በጺሓ ነዚ ዓወታት ከምዝተጎናጸፈት ሓቢሩ። ብምስዓብ፡ \"እዚ ሽልማት ንዓለማዊ ዕዳጋ ብዝፈጥሮ ዕድል ተጠቒመ ኣብዚ ሕጂ ዝሰርሖ ዘለኹ ፊልማታት ካብ ናይ ዝሓለፈ ብዝበለጸ ንኽሰርሕ ድርኺት ፈጢሩለይ ኣሎ\" ኢሉ። ሓጻር ፊልም 'ዜና ዕረፍቲ' ኣቐድም ኣቢላ'ውን ኣብ 'ኢንዲ ፈስተ ፊልም ኣዋርድስን (IndieFEST Film Awards) ከምኡ እውን 'በት ሾርትስ ኮምፒቲሽን ኣዋርድስን' (Best Shorts Competition Awardees) ዝተባህላ ኣህጉራዊ ውድድራት ክልተ ወርቂ ተሸሊማ ነይራ እያ።","category":"ፊልም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51270487"} {"headline":"\"ዝኾነ ዘጸዓንናዮ፡ ካብ ቻነልና ከይነውርዶ ዝቕይድ ውዕል ኣለና\" ዋና ኢላ ሪኮርድስ","content":"ኢላ ሪኮርድስ ኣብ 2014 ዝጀመረ ትካል ዩቱዩብ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቅንጥብጣብ ቁጽሪ ሰለስተ ዘርእስታ 'ኮሜዲ' ኣብታ ቻነል ድሕሪ ምዝርጋሓ፡ ነዛ ደራማ ዝረኣዩ ሰባት ዓገብ ኪንኡ ሓሊፎም'ውን፡ ካብቲ ቻነል ክትወርድ ዝጠልብ ጥርዓናት የስምዑ ኣለዉ። እታ ድራማ ሓንቲ ህጻን ምስ ሓደ እኹል በጽሒ ብፍቕሪ ተቛሪና እተርኢ ኾይና፡ በቲ ኣብታ ድራማ ዘሎ ተግባራትን ምትንኻፋትን ባህ ዘይበሎም ሰባት እዮም፡ ነዚ ጥርዓን ዘቕርቡ ዘለዉ። ዋናን ኣመሓዳሪ ትካል ኢላ ሪኮርድስን ዝኾነ ዩኤል ሃብተማርያም ተኽለ: እታ ስራሕ ብኢላ ሪኮርድስ ዘይፈረየትን፡ ተሰሪሓ ምስ መጽኣቶም፡ እቲ ትካል ዝኽተሎ ቅጥዒ ኣማሊኣ ኣብ 'ቻነሎም' ከም ዝዘርግሕዋ'ዩ ዝገልጽ። ዩኤል፡ \"ሕብረተሰብና ንቆልዑ ዝዕምጽ ኣይኮነን፡ እዛ ድራማ ብዓይኒ ምዕራባውያን ስለ ዝተራኣየት እዩ ተነቃፊት ገይርዋ\"ካብ ህዝቢ ቀሪቡ ዘሎ ርኢቶ ቅቡል ኮይኑ ዝረኣየሉ ተኽእሎ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ኢላ ሪኮርድስ ክቕበልዎ እንከለዉ ግን፡ ከም መዘናግዒ፡ ኣብ ሓቂ ዘይተመርኮሰ ተዋስኦ ምዃኑ ጥራይ ርእዮም ከም ዝዘርግሕዋ ይጠቕስ። ነቲ ብገለ ተዓዘብቲ 'ቅንጥብጣብ ቁጽሪ 3' ካብ ቻነል ኢላ ሪኮርደስ ክትእለ ኣለዋ ዝብል ጥርዓን ዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ዋናን ኣመሓዳሪ ትካል ኢላ ሪኮርድስ ዝኾነ ዩኤል ሃብተማርያም ክምልስ እንከሎ \"ንሕና ድኳን ኢና፡ ስራሕና ከኣ ናብ ህዝቢ ምቕራብ እዩ፡ ኣብ ዱኳን ከኣ ብዙሕ እዩ ዝርከብ\" ድሕሪ ምባል፡ ከምዚ ዓይነት ስራሕ ክመጽኣና እንከሎ፡ ኣብ ህዝቢ ዘምጽኦ ጽልዋ ኣብ ግምት ከነእትዎ ከም ዘለና ዓቢ ትምህርቲ ኮይንና ኣሎ ይብል። \"ብቅንጥበጣብ ቁጽሪ 3 ዓቢ ትምህርቲ ኢና ወሲድና፡ ካልኦት ቻነላትን ስነ ጥበባውያን'ውን ካብዚ ክምሃሩ ኣለዎም\" ብምባል፡ ድሮ ናብ ህዝቢ ቀሪባ ስለ ዝኾነት ካብ ቻነሎም ናይ ምእላይ መደብ ከም ዘይብሎም ሓቢሩ። \"ንሓደ ሰብ ስርሑ ኣብ ቻነልና ክንልጥፈሉ ክንሰማማዕ እንከለና፡ ዝቕይደና ኩንትራት ኣሎ፡ እቲ ኩንትራት ካይነውርዳ ይክልክለና እዩ\" ብምባል ካብ ቻነሎም ንኸይኣልይዋ ውዕሎም'ውን ከም ዘገድዶም ይጠቕስ። ዩኤል፡ ዋላ ድኣ ከም ዱኳን ንመኽሰብ ዝሰርሑ ትካል ይኹኑ'ምበር፡ ንመኽሰብ ኣቐዲሞም ንሕብረተሰብ ዝሃሲ ነገር ከም ዘይገበሩ ይሕብር። \"ናባና ተወዲኡ ዝመጽአ ስራሕ ኩሉ፡ ናብ ሕብረተሰብ ኣይዝርጋሕን እዩ፡ ካብ ጥቕሙ ሃስይኡ ይዛይድ ኢልና ዝኣመንናሉ ብዙሕ ስራሕ ኣብ ቻነልና ከይጸዓን ዝኸልከልናዮ ኣሎ፡ ከም ቻነል፡ ህዝብና ከሐጉስ፡ ህዝቢ ክምሃረሉ ዘለዎ ኢና ክነቕርብ ንደሊ\" ኢላ ሪኮርድስ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 500 ደርፍታት ከምኡ'ውን ኣስታት 70 ዝኸውን ፊልምታት ክትዝርግሕ ዝኸኣለት፡ ሓንቲ ካብተን ብኤርትራውያን ዝውነና ናይ ዩቱዩብ ቻነላት እያ። ዝኾነ ደርፊ ይኹን ፊልም ኣብ ቻነሎም ንኽልጠፍ ሕቶ ምስ ዝቐርበሎም ዝኽተልዎ ኣገባብ ከም ዘሎ ዋናን ኣመሓዳሪን ትካል ኢላ ሪኮርድስ ዩኤል ሃብተማርያም ተኽለ ይሕብር። \"ኣብ ኣስመራ ነቲ ፊልምታት ይኹን ደርፍታት ርኢቶኦም ዝህብሉ መሳርሕቲ ኣለዉና፡ ካብ ኣውሮጳ ዝመጻና ስርሓት ከኣ ንዕኡ ዝከታተሉ መሳርሕቲ ኣለዉና፡ ቀንዲ ሕመረትና ከኣ ንሕብረተሰብ ጠቓሚ ኣብ ዝኾነ እዩ ዝምእከል\" ብምባል ናጻ ኮይኖም ብዘይ ምትእትታው ሳልሳይ ኣካል ስረሖም ከም ዘካይዱ ይሕብር። ኢላ ሪከርድስ በቲ ካብ ዩ ትዩብ ዝርከብ መኽሰብ ትካሎም 45 ሚእታዊት ዋናታት እቲ ፊልምን ደርፍታትን 55 ሚእታዊት ከም ዝረኽቡ ብምሕባር፡ ኣብ ፊልም ግን ንዝያዳ መኽሰብ ደረስቲ ንምሕላው ካብ ዩትዩብ ወጻኢ ፊልም ዝረኣየሎም መተግበሪ [ኣፕሊኬሽን] ኣተኣታትዮም ይሰርሑ ከም ዘለዉ ዩኤል ይገልጽ።","category":"ፊልም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48870941"} {"headline":"ኡጋንዳዊት ተዋሳኢት ፊልም 'ኲን ኦፍ ካትወ' ኒኪታ ፐርል ኣብ 15 ዓመታ ዓሪፋ","content":"ኣብታ ብዛዕባ መስተንክር ቸዝ ኡጋንዳ እተዘንቱ ናይ ዲስኒ ፊልም 'ኲን ኦፍ ካትወ' ዝተዋስአት ህጻን ኒኪታ ፐርል ከም ዝዓረፈት መራኸቢ ብዙሓን ኡጋንዳ ጸብጺበን። ኒኪታ ብናይ ሓንጎል ካንሰር- ቱመር ክትሳቐይ ምጽንሓ ተፈሊጡ። እታ ኣብ ሓቀኛ ዛንታ ተሞርኲሳ ኣብ 2016 ዝተሰርሐት ፊልም፤ ብዛዕባ ናብ ቤት ትምህርቲ ዘይከደት፡ ኣብ ትሽዓተ ዓመታ ቸዝ ክትጻወት ዝጀመረትን ክሳብ ዓለምለኻዊ ውድድራት ክትሳተፍ ዝኸኣለትን ፍዮና ሙተሲ እያ እተዘንትው። ኣብታ ፊልም፡ ሉፒታ ንዮንግ ከም ኣዲኣ፡ ዴቪድ ኦየሎዎ ከኣ ከም ናይ ቸዝ መምህራ ኮይኖም ይዋስኡ። ኒኪታ ኣብ 2016 እቲ ሕማም ከም ዘለዋ ምስተፈለጠን፡ ኡጋንዳውያን ሓካይም ዘድልይ መሳርሒታት ከም ዘይብሎም ምስ ተገለጸ፤ ዳይሬክተር እታ ፊልም፡ ሚራ ነይር ሰባት ብምጉስጓስ ንሕክመና ዝኾና ገንዘብ ከም ዝተኣኻኸብን ናብ ህንዲ ብምኻድ ሕክምና ክትገብርን ኣኽኢሉዋ። ሕክምና ምስ ገበረት ኣብ 2017 ካብቲ ሕማም ነጻ ከም ዝኾነት እኳ እንተተሓበራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካልእ ቱመር ተረኺብዋ።","category":"ፊልም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51522171"} {"headline":"ፕረዚደንት ብራዚል፡ ንፍሉጥ ተዋሳኣይ ሊዮናርዶ ኣማዞን ክቃጸል 'ብገንዘብ ሓጊዙ' ክብል ከሲሱዎ","content":"ፕረዚደንት ብራዚል ጀይር ቦልሶናሮ፡ ንፍሉጥ ተዋሳኣይ ሆሊዉድ ሊዮናርዶ ዲካፕርዮ፡ '' ጫካ ኣማዞን ንምቅጻል ገንዘብ ሂቡ'' ክብል ከሲሱ። እቲ ፕረዚደንት ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ''ሊዮናርዶ ዲ ካፕርዮ ጽቡቕ ሰብ እዩ። ኣማዞን ንምንዳድ ግን ገንዘብ ይምውል'' ክብል ተዛሪቡ። ዲካፕርዮ ባርዕ ሓዊ ብምስዋር ቪድዮታት ክቕድሑን ኣንጻር ብራዚል ጎስጓስ ክካየድን 500 ሽሕ ዶላር ከምዝሃበ እዩ እቲ ፕረዚደንት ዝኸስስ። ምንም ዓይነት መረዳእታ ዘይሃበ ፕረዚደንት ቦልሶናሮ፡ ቅድም ክብል ንናቱ ፖሊሲ ዝነቕፉ ዘይመንግስታዊ ትካላት፡ ነቲ ኣብዚ ዓመት ኣብቲ ጫካ ዕንወት ዘውረደ ሓዊ ከምዘሳወርዎ ገሊጹ ነይሩ። ገንዘባዊ ሓገዝ ንምርካብ ሓዊ ኣልዒሎም ብዝብል ዘይተረጋገጸ ክሲ ብዙሓት ሰባት ተኣሲሮም እዮም። ንሓለዋ ጫካ ኣማዞ 5 ሚልዮን ዶላር ከምዝሕግዝ ዝተመጻበዐ ተዋሳኣይ ዲካፕርዮ ግን ንኽሲ እቲ ፕረዚደንት ነጺጉ። ዲካፕርዮ ብወገኑ እቶም ዝኽሰሱ ዘለዉ ትካላት ሓገዝ ክግበረሎም ዝግባእ እኳ እንተኾነ፡ ኣብዚ እዋን ግን ሓገዝ ከምዘይገበረሎምን ኣካል እቶም ነቲ ጫካ ንምሕላው ዝንቀሳቐሱ ምዃኑ ግን ኩርዓት ከምዝስመዖ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ገሊጹ። ገንዘባዊ ሓገዝ ንምርካብ ነቲ ሓዊ ኣልዒሎም ዝተብሃሉ ኣርባዕተ ሰባት ዝተኣሰሩ ኮይኖም፡ ጎስጎስቲ ሓለዋ ተፈጥሮ ግን መንግስቲ ኮነ ኢሉ ንምንቅስቓሶም ንምትዕንቓፍ ዝገብሮ ፖለቲካዊ ጸቐጢ ከምዝኾነ ይገልጹ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ፡ ነቲ '' ሳምቡእ እዛ ምድሪ'' እናተብሃለ ዝጽዋዕ ደኒ ኣማዞን፡ ዓለማዊ ቆላሕታ ክረክብ ገይሩዎ እዮ።","category":"ፊልም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50619601"} {"headline":"ኔትፍሊክስ፡ ሰባት ምስጢራዊ ቃል ከይለቓቕሑ ንምግታእ ይፍትን ኣሎ","content":"እናኽፈለ ብመገዲ ኢንተርኔት ፊልምታት ዘርእይ ትካል ኔትፍሊክስ፡ ኣብዚ ሰሙን ቃለ ምስጢር (ፓስወርድ) ንዝለቃቕሑ ዓማዊሉ ዝቆፀፀረሉ ሜላ ከምዝመሃዘ ኣፍሊጡ ኣሎ። ገለ ዓማዊል ኔትፍሊክስ፡ ብተሌቬዥን ወይ ድማ ብካልኦት መሳርሕታት ኤሌክትሮኒክስ ናብ ድሕረ ገፅ ኔትፍሊክስ ኣብ ዘምርሕሉ ግዘ፡ “ምስ ወናኒ እዚ ሕዚ ትጥቀምሉ ዘለኹም 'ኣካውንት' ኣብ ሓደ ገዛ እንድሕር ዘይትነብሩ ኾይንኩም፡ ናይ ባዕልኹም ከፊትኩም ነዞም ፊልምታት ክትርእዩ ትኽእሉ” ዝብሉ መልእኽትታት ረኺቦም። ወሃቢ ቃል ኔትፍሊክስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “እዚ ፈተነ፡ ኣካውንት ኔትፍሊክስ ዘለዎም ዓማዊል ጥራሕ ዝጥቀምሉ መገዲ ንምንዳይ ዝዓለመ እዩ” ኢሉ። ብመሰረት እዚ ፈተነ፡ እቲ ዝትቀምሉ ዘለዉ ሕሳብ 'ኔትፍሊክስ' ናቶም ምዃኑ ንምርግጋፅ፡ ካልእ ናይ ሚስጥር ቃል ብፅሑፍ መልእኽቲ ወይ ከኣ ብኢመይል ይለኣኸሎም። ብዙሓት ዓማዊል፡ ኔትፍሊክስ ከፊቶም ንምእታው ዝጥቀምሉ ሚስጥራዊ ቃሎም ኣብ ሓደ ገዛ ንዘይነብሩን ዘይከፈሉን ዓማዊል ስለዘለቅሕዎም፡ ነዚ መመርሒ ከውፅእ ከምዝተገደደ፡ ኔትፍሊክስ ኣፍሊጡ። ንኔትፍሊክስ ሓዊሱ፡ ብኢንተርኔት ገፅ ፊልምታት ዘርእዩ ከም ኤችቢኦ ጎ፣ ኣማዞን ፕራይምን ዲዝኒን፡ ዋላ’ኳ ኣብ ዝተፈላለዩ መሳርሕታት ኤሌክትሮኒክስ፡ ብዙሓት ኣካውንታት ዘፍቅዱ እንተኾኑ፡ እዚ ግና ኣብ ሓደ መንበሪ ገዛ ጥራሕ እዩ ምጥቃም ዝከኣል። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2016፡ መስራትን ዋና ኣካያዲ ስራሕን ኔትፍሊክስ ሪድ ሃስቲንግ፡ “ምልቕቓሕ ምስጢራዊ ቃል ክንዕገሶ ዝግባእ ጉዳይ እዩ። ብዙሓት ምስጢር ቃል እናተለቓቕሑ ከምዝርእዩ ንፈልጥ ኢና። እንተኾነ ፅቡቕ ኢና ንሰርሕ ዘለና” ኢሉ ኔሩ። እንተኾነ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ሓላፊ ምህርትታት እቲ ኩባንያ ግሬግ ፒተርስ፡ ኔትፍሊክስ ጉዳይ ምልቕቓሕ ምስጢራዊ ቃል መሊሱ የፅንዖ ከምዘሎ ብምሕባር፡ “ዛጊድ፡ ንሰርሐሉ ካብ ዘለና መስርሕ ወፃኢ፡ ካልእ መመርሒ ናይ ምልላይ ትልሚ የብልናን” ኢሉ ኔሩ። ኣብ'ቲ ዝሓለፈ ዓመት 2020፡ ኔትፍሊክስ፡ ሓደሽቲ 37 ሚልዮን ዓማዊል ዝመዝገበ እንትኾን፡ ብሓፈሻ ብብርኪ ዓለም ድማ 200 ሚልዮን ዓማዊል ኣለውዎ። ብፍላይ ከኣ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝወፅኡ ካብ ገዛ ናይ ዘይምውጻእ መምርሕታት፡ ንኔትፍሊክስ ሽሻይ እዩ ኮይንሉ፤ 25 ቢልዮን ዶላር ኣእትዩ፡ ካብ'ዚ 2 ነጥቢ 8 ቢልየን ዶላር ትርፊ ከምዝረኸበ ድማ ዕላዊ ጌሩ።","category":"ፊልም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56371152"} {"headline":"ሚኬላ ኮኤል፡ \"ሕዚ'ውን ዝዕመጽ ዘለኹ መሲሉ እዩ ዝስመዐኒ\"","content":"ሚኬላ ኮኤል ተዋሳኢት፣ ጸሓፊትን ኣላይት ፊልምን እያ። 'ቺዊንግ ገም' ዝብል ተኸታታሊ ፊልማ፡ ዓብዪ ኣድናቖት ረኺባትሉ። ካልኣይ ክፋል ናይቲ ፊልም ኣብ እትጽሕፈሉ እዋን ግን ሃንደብት ከምዚ ኣጋጢሙዋ። ሓደ መዓልቲ ምጽሓፍ ኣቀሪጻ፡ ምስ ካልኣይቲ መሓዛኣ ኾይነን ሓደ ክልተ ክብላ ይወጽኣ። ካብኡ ብዙሕ ነገር ተፈጢሩ። ብጽባሒትኡ ንጎሆ ካብ ድቃሳ ክትትስእ ከላ፡ ገለ ነገራት ከም ሕልሚ ኾይኖም ትዝ ክብልዋ ጀሚሮም። ኣብቲ ኣልኮላዊ መስተ ገለ ከይተሓወሶ ኣይተርፍን። ተዓሚጻ ሓዲራ። እቲ ኣብ ህይወታ ጸሊም በሰላ ዝገደፈላ ጸልማት ኣጋጣሚ፡ 'አይ ሜይ ዲስትሮይ ዩ' [ከጥፈአካ እየ] ብዝብል ርእሲ ጽሒፋቶ። ካብ መጽሓፍ ሓሊፋ ድማ፡ ናብ ፊልሚ ቀይራቶ። ባዕላ ድማ ተዋሲኣትሉ። ምስ ካልኦት ሰብ ሞያ ኾይና ባዕላ እያ ኣልያቶ። ኣብ ቢቢሲ ዝቐረበ ክፍሊ ግና፡ በይና ኾይና እትዋሰአሉ ጥራይ እዩ። \"ንምጽሓፉ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ወሲዱለይ። ርግጽ፡ ኣብቲ እዋን ካልእ ተወሳኺ ስራሕ'ውን የሳልጥ እየ ነይረ\" ክትብል ንራድዮ ኒውስ ቢት ተዛሪባ። \"ብጣዕሚ በዳሂ ኩነታት እዩ። እቲ ዓመጽ ሕዚ'ውን ዝፍጸመኒ ዘሎ መሲሉ እዩ ዝስመዓኒ። ይኹን'ምበር ምጽሓፈይ ናይ መንፈስ ዕረፍቲ ሂቡኒ እዩ\" ትብል። 'ሬፕ ክራይስስ' ዝተብሃለ ትካል ከምዝሕብሮ፡ ዕድሚኦም ልዕሊ 16 ካብ ዝኾኑ ሰባት፡ 20 ሚኢታዊ ደቂኣንስትዮ ከምኡ ድማ 4 ሚኢታዊ ደቂ ተባዕትዮ ጾታዊ ዓመጽ ይበጽሖም። እዚ ሓበሬታ፡ ኣብ እንግሊዝን ዌልስን ዘሎ ኩነታት እዩ ዝምልከት። ቢቢሲ ብዝገበሮ ናይ መርመራ ጸብጻብ፡ ኣብ 2015ን 2019ን፡ 2600 ዝኾኑ ሰባት ኣብ ዝሰትዩዎ፡ ዘደንዝዝ ነገር ተገይሩሎም ከምዝተደፈሩ እዩ ዘመልክት። ካብዚኦም ውሽጢ፡ 72 ሚኢታዊ ደቂ ኣንስትዮ እየን። እዚ'ውን ኣብ እንግሊዝን ዌልስን እዩ። ኣብቲ ፊልሚ ናይ ሚኬላ ገጸ ባህሪ ኾይና እትዋሳእ ኣራቤላ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ስምዒታት ኮይና እያ ትመላለስ። ንባዕላ ካብቲ ዝበጽሓ ሓደጋ ንምምላጥ፡ ትዝቅርን ትስሕቕን እያ። እታ ገጸ ባህሪ፡ ናይ ሚኬላ ሓቀኛ ነጸብራቕ እያ። \"ከምዚ ዓይነት ዘስካሕክሕ ኩነታት እንተጋጥሙናን፤ ኣብ ኣእምሮና እናተመላለሱ እንተጸግሙልናን። ብዝተፈላለዩ መንገድታት ክንሓልፎም ኢና ንጽዕር። ኩሉ ግዜ ድማ ብምሕዛን ጥራይ ክኸውን የብሉን\" ትብል። \"ሓደ ሓደ ግዜ፡ እቲ ኣብ ርእስና ዝበጽሐና ክንርስዖ'ውን ንደሊ። ሰባት ክኣምኑና ንልምኖም ኣይኮንናን ዘለና። ነጊርናዮም ግን ክኣምኑና ንደሊ\" ኢላ። ኣብቲ ፊልሚ ዘላ ኣራቤላ፡ ብሓገዝ መሓዙታ ኣበይ ከምዝተደፈረትን፡ መን ከምዝደፈራን ትፈልጥ እያ። እተን ካልኦት ኣዕርኽታ፡ ኣብ ጉዳይ ፍቕራዊ ርክብ ዘለዎም ድሌታት ዝተሓላለኸ እዩ። \"ብሓፈሻ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ድሌት ምሕታት ከምዘድሊ እዩ ዘረድእ። ድሌትና በሰባት ክንምንጠል እንከለና ዝፍጠር ስምዒት ድማ የርኢ\" ትብል ሚኬላ። ኣብ ዝበጽሓና ነገር ንባዕልና ተሓተትቲ ክንገብር የብልናን \" እትብል ሚኬላ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዘድልየን ኣጋጣሚ ድማ ዓው ኢለን ድምጸን ከስመዓ ትምዕድ። እቲ ፊልም፡ ብዙሓት ክመሃርሉ ኣተስፍያ ኣላ። እታ ንሚኬላ ወኪላ ኣብቲ ፊልሚ እትዋስእ ንእስቲ ጓል 30 ዓመት ኣራቤላ ድማ፡ ብትዊተር ኣቢላ ዓብዪ ተፈላጥነት ረኺባ ኣላ። መጽሓፍ ክተሕትም ድማ ተስማሚዓ ኣላ። እንተኾነ ድንግርግር ኢሉዋ እዩ ዘሎ። \"ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሰባት ከመይ ከምዝመቸዎምን ከምዝተሳኸዐሎምን ከርእዩ እዮም ዝፍትኑ\" ትብል ኣራቤላ። ኣብ ሓቃዊ ዓለም፡ ኣብ ደድሕሪ እቲ ላፕቶፕን ሞባይልን ዘለው ሰባት ግን ህይወቶም ሕልኽልኽ ዝበለ ከምዝኾነ ወሲኻ ትዛረብ። እቲ ንሳ እትዋሰአሉ ፊልሚ ዓብዪ ኣድናቖት ረኺቡ እዩ። እታ ተዋሳኢት፡ ካብቲ ዝተለመደ ዘሰልቹ መገዲ ውጽእ ኢላ እያ ሰሪሓቶ። ---- \"ዝኾነ ናይ ኣነባብራ መይላ፡ ናይ ባዐዕሉ ጥቕምን ጉድኣትን ኣለዎ። እቶም ገጸ ባህርያት ግን፡ ደፋራትን ተባዓትን ኮይኖም፡ ኣብ ናይ ባዕሎም ዓለም ዝነብሩ ተገይሮም እዮም ተስኢሎም። ኣብ መንነቶም ረጊጾም፡ ብነጻነት እዮም ዝደለዩዎ ዝገብሩ\" ኢላ ትገልጾም ሚኬላ። \"ዝኾነ ይኹን፡ ፍርሒ ህይወተይ ክቆጻጸሮ ኣይደልን። ኣብ'ዚ ናተይ ዕድመ ዝርከብ ወለዶ ዘመሳስለና ሓደ ነገር፡ ክንፈርሕን ክንሽቑረርን ዘይምምራጽና እዩ\" ትብል።","category":"ፊልም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53040217"} {"headline":"ኣብ ህንዲ፡ ኣዋልድ ከም ኣቕሓ መሸጣ ክርኣያ የብለንን እትብል መጽሓፍ ኮሚክ ተዘርጊሓ","content":"ኣብ ዝተፈለላየ ኩርናዕ ዓለም ብፍላይ ከኣ ኣብተን ገና ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ብፍላጥን ብዘይፍላጥን ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ግህሰት ብዙሕ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ዋላ እውን ኣብተን ዝማዕበላ ዝበሃላ ሃገራት፡ ደቀንስትዮ ካብቲ ዝነብራሉ ቦታ ብዘይፍታወን ተገዲደን ናብቲ ናይ ወሲብ ስርሓት ዝካየደሉ ቦታ በሰጋገርቲ ይውሰዳ። እዚ ብቐጥታ ምስ ወሲብን ዓመጽን ዝተኣሳሰር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ገበን እዩ። እዚ ቕንያት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ንዝፍጽም ኩሉ ዓይነት በደላትን ጾታዊ ግህሰትን ደው ክብል ኣለዎ ብዝብል መንፈስ፡ ናይ 16 መዓልታት ጎስጓስ ኣሚሙ'ዩ። በዚ መሰረት ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ዓለም እቲ ዓመጽ እቲ ንከብቅዕ ዝሕግዝ ጎስጓሳት ይካየድ ኣሎ። እዚ ናይ ጎስጓስ ወፍሪ ከኣ ደቂ ሰባት ነቲ ኣንጻር ደቀንስትዮ ዝግበር እከይ ስርሓት ንክፍንፍንዎ ኣብ ህንዲ 'ፒራይንን እተን ዝጠፍኣ ኣዋልድን' እትብል ሓዳስ ናይ ኮሚክ መጽሓፍ ብሰኑይ፡ 25 ሕዳር፡ ናብ ህዝቢ ቀሪባ። እታ ኣብ ፖለቲካውን ማሕበራውን ሃይማኖታውን ጉዳያት እትጉስጉስ ኣብ ህንዲ እትሕተም ናይ ኮሚክ መጽሓፍ እያ። እዛ መጽሓፍ ኣብ ዝሓለፈ ሕታማ ኣንጻር ጾታዊ ግህሰትን መጥቃዕቲ ኣሲድን ትጉስጉስ ዝነበረት ፒራያ ሻክቲ፡ ሕጂ ድማ ኣዋልድን ደቀንስትዮን ንምንዝርና ንኽጥቀሙለን ብዘይሕጊ ንዝግበር ምስግጋር ኣትኪላ ትቃለስ ተዋሳኢት ኢያ። እታ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ንዝግበር ምግሃስን መጥቃዕትን እትቃለስ \"ጅግና ጓልስንተይቲ\" እትዋስኣሉ ናይ ኮሚክ መጽሓፍ ኣብ ታሕሳስ 2014፡ ኣብ ከተማ ደልሂ ኣብ ውሽጢ ኣውቶቡስ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ መንእሰይ ጓልንስተይቲ ብጉጅለ ዝተፈጸመ ኣዝዩ ዘርዕድ ምግሃስ ብምቕራብ ህዝቢ ነቲ ኣብ ህንዲ ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ ንከቓልበሉ ኢያ እታ መጽሓፍ ተሓቲማ። ኣብታ ቀዳመይቲ ሕታም፡ እታ ኣብ ነብሪ ተወጢሓ እትጋልብ ጅግና፡ ነቲ ኣብ ጉዳይ ምግሃስ ደቀንስትዮ ዘጓንፍ ምንዋር ትብድህ። 'ፒራያ ሚረር' ኣብ ትብል ካልአይቲ ሕታም ድማ ኣንጻር ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝግበር መጥቃዕቲ ኣሲድ ኣተካይዶ ቃልሲ ተመልክት። 'ፒራይንን እተን ዝጠፍኣ ኣዋልድን' ኣብ ትብል ሕታም ድማ ኣንጻር እቲ እኩይ ጋኒን፡ ራሁ ንወሲባዊ ስርሓት ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ደቀንስትዮ ዘዘዋውርን ኣብቲ ብሕቡእ ዘቖሞ እንዳ ኣመንዝራታት ዝሓየረን ብዙሓት ደቀንስትዮ፡ እንኮላይ ሓፍቲ ፒራያ፡ ላክሺም ዝርከብአ ኢያ ትቃለስ። እታ ህንዲ ዝመበቆላ ኣሜሪካዊት ተዋሳኢትን ደራሲታን ዲፕቲ ሜታ፡ ነዛ ናይ ኮሚክ መጽሓፍ ኣብ ዝደረሰትሉ እዋን ኣብ ናይ ህንዲ ናይ ጥንቲ ጽውጽዋይ ብምምርኳስ ኣገዳሲ ባህሪ ብምምስራት ሓያል ንመሰል ደቀንስትዮ ናይ ዝጣበቕ መግለጺ ኢያ ተመሓላልፍ። ኣብታ ናይተን ዝጠፍኣ ኣዋልድ እተዘንቱ ታሪኽ፡ ከም ቀንዲ ተጣባቒት መሰል ደቀንስትዮ ኮይና እትዋሳእ ጓል፡ ናብ ገዝኣ ምስተመልሰት ኣብታ እትነብረላ ቁሸት ዋላ ሓንቲ ጓል ኣይጸንሓኣን። ብድሕር'ዚ ኣብቲ ዝነፍር ሳሃስ ዝብሃል ነብራ ብምውጣሕ ድማ ኣብቲ ናይ ራሁ መሕብኢ ቦታ ትበጽሕ።እታ ራሁ ዝነብረላ ከተማ በቶም ስሱዓትን ቀነኣትን ብህርፋነ-ዝሙት ዝዓወሩ ሰባት ኢያ ትምሓደር ነይራ። ኣብዛ ከተማ፡ ደቀ ንስትዮ ድልየታት ናይቶም ደቂ ተባዕትዮ ንምርዋይን ንምሕጓስን ኢየን ዝነብራ ነይረን።እተን ነዚ ዝቃወማ ድማ ናብ እምኒ ይቕይርወን ።ፒራያ ነዚ ተግባራት`ዚ ትቃወም ስለዝነበረት ድማ ምፍርራሕን መጥቃዕትን ወሪድዋ ኢዩ። ሓንቲ ንራሁ እተገልግል ጓልንስተይቲ ድማ ፒራያ ኣብቲ ናይ ወሲብ ንግዲ ክትጽንበር ክትሓባብላ ፈቲና ነይራ። \"እንተድኣ ምሳና ሰሪሕኪ፡ ምስ ዕስራ ሰባት ዘይኮነ ምስ ሓሙሽተ ወይ ድማ ሽዱሽተ ሰባት ጥራይ ኢኺ ወሲብ ትፍጽሚ\" ኢላታ። እንተኾነ፡ ፒራያ ነቲ ብራሁ ዝምራሕ እከይ ጉጅለ ብምስዓር፡ ንሓብታን ነተን ኣብቲ እንዳ ኣመንዝራታት ተሓዪረን ዝነበራ ኣዋልድን ነጻ ተውጽአን። ዋላ`ኳ ነተን ኣዋልድ ሓራ ተውጽኣየን ድኣ`ምበር፡ ወለዲ ናይተን ሓራ ዝወጻ ኣዋልድ ግና ነተን ኣዋልድ ምቕባል ይኣብዩወን። እተን ካብቲ ኣደራዕን ግፍዕታትን ዝሰረራ ኣዋልድ የናውርወንን የስተናዕቑወንን የልግጹለንን ነይሮም። ሕሉፍ ሓሊፎም ድማ ከም ድዉያት ኢዮም ዝርእይወን ነይሮም። እንተኾነ ፒራያን \"እተን ዝተረፋ ኣዋልድን ብሓባር ኣንጻር እቲ ኣባታዊ ምሕደራ ይምክታ ነይረን\" ኢላ። ብድሕር'ዚ ደቀንስትዮ ነቲ ዝወርደን ዝነበረ ጾታዎ መጥቃዕትን ዓመጽን ብዓውታ ክብድህኦ ጀሚረን። እቲ ኣብ ጥቅምቲ 2017 ኣብ ሆሊዉድ ዝጀመረ ጎስጓስ ኣንጻር ጾታዊ መጥቃዕትን ዓመጽን ዳርጋ ናብ ኩሉ ክፍልታት ናይዛ ዓለም ተዘርጊሑ። ''እቲ ናይተን ዝጠፍኣ ኣዋልድ ናይ ኮሚክ መጽሓፍ፡ እቶም ጥዑያት ሰባት ከምዝዕወቱን እቶም እከያት ድማ ከምዝሞቱን ካብ መጀመርትኡ ንዓይ ንጹር ነይሩ'' ኢላ ድፕቲ ሜታ። እቲ ነታ ናይ ኮሚክ ታሪኽ ዝመሃዘ ህንዳዊ መበቆል ዘለዎ ኣሜሪካዊ፡ ራም ዴቪነኒ፡ ድሕሪ ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ከተማ ኮልካታ፡ ኣብ ዞና ሶንጋቺ እቲ ዝዓበየ ኣመንዝራታት ዝርከባሉ ከባቢ [ሬድ ላይት] ምስ ብዙሓት ኣብ ናይ ወሲብ ስርሓት ዝተዋፈራ ደቀንስትዮ ድሕሪ ምርኻቡ ኢዩ እቲ ዛንታ ናይዛ ሓዳስ ሕታም ኣብ ጉዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቀንስትዮ ንወሲብ ከተኩር ከምዘለዎ ዝወሰነ። ''ፍርቂ ናይተን ዝረኸብኩወን ደቀንስትዮ ናብቲ ቦታ ንኽመጽኣ ሰባት ከምዘታለልወን ሓቢረናኒ። ብድሕሪኡ ድማ ብኣስገዳድ ኣብቲ ናይ ወሲብ ንግዲ ኣቲና ክብላ እንከለዋ፡ እተን ዝተረፋ ፍርቂ ድማ ብድኽነት ዝቖርፈድናን ካልእ ኣማራጺ ስለዝሰኣናን ኢና ብወለንታና ናብቲ ናይ ወሲብ ስራሕ ዝተጸንበርና ኢለናኒ'' ኢሉ ራማ ዴቪነኒ። ''መብዛሕትኡ ግዜ ክልተ ወይ ሰለስተ ደቀንስትዮ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ማዕቡጥ ክፍሊ እየን ብሓባር ዝነብራ። መብዛሕትአን ድማ ምስኣን ዝነብሩ ንኣሽቱ ቆልዑ ነይሮምወን። ገሊኤን ከምዝሓበራኒ፡ ምስቶም ዓማዊል ወሲብ ኣብ ዝፍጽማሉ እዋን እቶም ደቀን ምስኣን ኣብ ሓንቲ ዓራት ከምዝድቅሱ ሓቢረናኒ'' ኢሉ ራማ ዴቪነኒ። ''እዚ ብሓቂ ልቢ ዝሰብር ፍጻመ ኢዩ።'' ራማ ዴቪነኒ፡ ምስተን ደቀንስትዮ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ብዙሓት ካብቲ ቦታ ክወጻ'ኳ እንተሓሰባ፡ ካልእ ኣማራጺ ስለዘይብለን ግና ኣብኡ ክጸንሓ ይመርጻ። ብዙሓት እቲ ዝገብርኦ ደቀንን ስድራቤትን ንምንባይ ዝወሰድኦ ስጉምቲ ከምዝኾነ ይገልጻ። እቲ ብሓይሊ ዓትዒቱ ዝሓዘን መቑሕ ድማ ብዝያዳ ስነ ኣእምሮኣዊ ኢዩ። ራማ ከምዝበሎ መብዛሕትኡ ናይዘን ደቀንስትዮ ታሪኽ ኣብታ ናብ ህዝቢ እትቐርብ ዘላ ናይተን ዝጠፍኣ ኣዋልድ እትብል መጽሓፍ ተወሲኹ ኢዩ። እታ መጽሓፍ ምስቲ ሕቡራት ሃገራት ን16 መዓልታት ኣንጻር ጾታዊ ዓመጽ ጎስጓስ ንምክያድ ዝጀመረላ መዓልቲ ንኽትሳነ ተባሂሉ'ዩ ብሰኑይ፡ 25 ሕዳር፡ ናብ ህዝቢ ከምእትቐርብ ዝተገብረ። ከምቲ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ድሮጋን ወንጀልን ዝበሎ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ድሕሪ ዘይሕጋዊ ንግዲ ኣጽዋር ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ዝተወደበ ንግዲ ኢዩ። ዋላ ካብ ናይ ዕጸ ፋርስ (ድሮጋ) ንግዲ ይዓቢ። ''ቢልዮናት ዶላር ዘውጽእ ንግዲ ኢዩ'' ኢላ እታ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት እትነጥፍ፡ ሩቺራ ጉፕታ ብቴሌፎን ካብ ከተማ ኒው ዮርክ ንጋዜጠኛታት ቢቢሲ ነጊራቶም። ሩቺራ ጉፕታ፡ ነተን ኣብ ህንዲ ዝርከባ ንወሲብ ክጥቀሙለን ክብሉ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ቦትአን ናብ ካልእ ቦታ ዝወስድወን ኣዋልድን ደቀንስትዮን ኢያ በታ ዘይመንግስታዊ ኣፕኔ ኣፕ ዉመን ዎርልድ ዋይድ ትብል ውድባ እትሕግዘን። ኣብ ዓለም ኣስታት 100 ሚልዮን ሰባት ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ክኾኑ ከለው፡ ካብዚኦም ዳርጋ 27 ሚልዮን ኣብ ህንዲ ይርከቡ።፡ እተን ዝበዝሓ ድማ ኣዋልድን ደቀንስትዮን ኢየን ኢላ ጉፕታ። ህንዲ፡ ባንግላዴሽን ኔፓልን ዳርጋ ''ሕመረት'' ናይቲ ዓለም ዝካየድ ምስግጋር ደቀንስትዮ ንወሲብ እየን። እታ ኣብ ምሕታም ፕሪያን እተን ዝጠፍኣ ኣዋልድ ዝተሓባበረት ሩቺራ ጉፕታ፡ ነተን መጽሓፍቲ ናብተን ኣብ ህንድን ኣሜሪካን ዝርከባ ኣብያተ ትምህርትን ኮለጃትን ብምውሳድ ብዛዕባ በስገዳድ ምግሳስን ምዕማጽን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቀንስትዮ ንወሲብን ኣብ እተካይዶ ኣስተምህሮ ከም መበገሲ ክትጥቀመለን መደባት ከምዘለዋ ገሊጻ። ነቲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ደው ንምባል እቲ እንኮ ኣማራጺ ምንዝርና ከምቅቡል ስራሕ ምውሳድን፡ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ድማ ብቺኔማን ስእልን ባህላዊ ስነ ጥበብን ምጉስጓስ ኢዩ ኢላ ሩቺራ ጉፕታ። እቲ ናይ ኮሚክ መጽሓፍቲ መንእሰያት ንምብርባር ተባሂሉ ኢዩ ተዳልዩ። ናብ ህዝቢ ብወግዒ ድሕሪ ምቕራቡ ድማ ኣብ ምሉእ ዓለም ብነጻ ኣብ ኮምፒዩተራት ክጽዓን ይኽእል። በዚ ድማ ሰባት ብዛዕባ'ቲ ክውንነት ዋላ በተን ምዕቡላት ናይ ኢድ ቴሌፎናቶም ክርድኡ ይኽእሉ። ''መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሰባት፡ ምንዝርና ኣብ ዓለም ብዕድመ እቲ ዝዓበየ ስራሕ ኢዩ ይብሉ። እንተኾነ፡ እዞም ሰባት ዘይርድእዎ ነገር እንተሎ፡ እተን ንወሲብ ተባሂሉ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ቦትአን ናብ ካልእ ዝተወስዳ ኣዋልድን ደቀ ንስትዮን ድሕሪ ወሲብ ምፍጻመን ዝኾነ ገንዘብ ኣይረኽባን እየን። እዚ እቲ ዝኸፍአ ምዝመዛ ናይተን ናብዚ ስራሕ ዝተቓልዓ ኣዋልድ ኢዩ'' ኢላ ሩቺራ ጉፕታ። እዚ ነተን ኣዋልድ ከም ኣቕሓ መሸጣ ምርኣይ ደው ንምባል ድማ ሰባት ኣብ ሓንጎሎም ንንግዲ ወሲብ ክፍንፍንዎን ክጸልእዋን ክንገብር ኣሎና። ገና ኣብ ዕድመ ንእስነቶም ክንሕዞም ይግባእ። ምስቶም መንእሰያት ደቂ 13-14 ዘለው ኣወዳት ብጽውጽዋይን ባህላዊ ስነ ጥበብን ክንሰርሕ ይግባእ። እዞም መንእሰያት በቲ ኣብ ናይ ወሲብ ፊልምን መጽሄታትን ዝረኣይዎ፡ ነተን ኣብ ናይ ወሲብ ንግዲ ዝነጥፋ ኣመንዝራታት ሕጉሳት ከምዝኾና ኢዩ ዝርድኦም። ብዛዕባ እተን ኣዋልድ ግና ክንዮ እዚ ዝርኢ ሰብ የለን። ''እተን ኣመንዝራታት ሕጉሳት እየን ንዝብል ጸውጽዋይ ከዕንዎ እየ ዝደሊ። ሰባት ነተን ኣዋልድ ክንዮ እቲ ዘለውኦ ኩነታት ክጥምቱ ኢዩ ድልየተይ'' ድማ ይብል ሩቺራ ጉፕታ።","category":"ፊልም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50612333"} {"headline":"ብጽኑዕ ዝሓመመ ሰብኣይ፡ ዛጊት ዘይተዘርግሐ 'ስታር ዋርስ' ፊልም ክርኢ ተፈቒዱሉ","content":"ኣብ ኣፍ ሞት ዝርከብ ብሪጣንያዊ፡ ምስ ቤተሰቡ ናብ ህዝቢ ዘይተርገሐ ፊልም 'ስታር ዋርስ' ክርእዩ ከምዝተፈቐደሎም ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኩባንያ 'ዲዝኒ' ቦብ ኢገር ገሊጹ። ኣብ ብሪጣንያ፡ ከተማ ሃምፕሻየር ዝርከብ 'ሮዋንስ' ዝተብሃለ ብጽኑዕ ዝሓመሙ ሰባት ዝዓርፉሉ ትካል ግብረ-ሰናይ፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ናብ ህዝቢ ዝዝርጋሕ ፊልም፡ ሓደ ኣብቲ መዕረፊ ዝርከብ ሰብኣይ ኣቐዲሙ ክርእዮ ክፍቀደሉ ብትዊተር ኣቢሉ ምሕጽንታ ኣቕሪቡ ነይሩ። እቲ ትካል ''እዚኣ እታ ዝኸፍአት ሰዓት'ያ ንዓና፤ እቲ ዘሕዝን ከኣ ግዜ ኣብ ጎንና ኣይኮነን፡ ክሳብ 20 ታሕሳስ ክጸንሕ ኣይክእልን'ዩ'' ክብል ጽሒፉ። ወናኒ ናይቲ ፊልም እወታዊ መልሲ ድሕሪ ምሃቡ ግን፡ እቲ ትካል ''ንዲዝኒ ንምምስጋን ቃላት የብልናን'' ክብል ጽሒፉ። እቲ ትካል ብሰሉስ፡ እቲ ሕሙም ነቲ ፊልም ክርእይ ዕድል ከወሃቦ ኣብ ትዊተር ንዝዘርገሖ ጽሑፍ ብዙሓት ሰባት ኣባጺሖምዎ እዮም። ተዋሳኢ ማርክ ሃሚል እቲ ትካል ዝሓሰቦ ክሰምረሉ ሰናይ ትምኒቱ ዝገለጸ ኮይኑ፤ ቦብ ኢገር ድማ '' ብርግጽ ክንፍትን ኢና'' ክብል መሊሱ ነይሩ። ሎሚ ድማ እቲ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ስራሕ፡ ኣብዚ መዓልቲ ምስጋና፡ ዲዝኒ እቲ 'ዘ ራይዝ ኦፍ ስካይ ዎከር' ዝብል ፊልሚ፡ ነቲ ሕሙም ኣብቲ ትካል ምስዝርከቡ ቤተሰቡ ከርእዮም ምዃኑ ብታሕጓስ ገሊጹ ኣሎ። ኣብቲ ገባሪ ሰናይ ትካል፡ ሰራሕተኛ ጥዕና ዝኾነት ሊሳ ዳቪስ፡ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ዝተሰመዖም ሓጎስ ብምግላጽ፡ ነቲ ኣፍራያይ ፊልም፣ ተዋሳእትን ሚድያታትን ኣመስጊና። መንነት እቲ ሕሙም፡ ብምስጢር ተታሒዙ'ሎ።","category":"ፊልም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50602737"} {"headline":"ናይጀሪያዊት ኮኾብ ተዋሳኢት ናጂ፡ ካብ ኖሊዉድ ናብ ኔትፍሊክስ","content":"ናይጀራዊት ኮኾብ ተዋሳኢትን ናይ ፊልም ዳይረክተርን ጀነቪቭ ናጂ ድሮ፡ ዓቢይ ግምት ዝወሃባ ምዃና ዘረጋገጸት ሰብ ብምዃና፡ እቲ ኣብ ኔትፍሊክስ ዝኣተወ ፊልማ ካብ ውድድር ሽልማት ኦስካር ምውጽኡ ንሃንቀውትኣ ኣይክዕንቅጾን`ዩ። ብኣንጻሩ፡ ምንጻግ ናይ`ታ ላየን ሀርት' ዝተሰመየት ፊልማ ካብ ዓለማዊ ውድድር ብሉጻት ፊልምታት ኣካዳሚ ኣብ ፈለማ ናይ`ዚ ወርሒ`ዚ፡ ንመጻኢ ዓወታ መንጠሪ ባይታ ክኾና ይኽእል`ዩ። እታ ጓል 40 ዓመት፡ ዛጊት ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ልዕሊ 80 ፊልምታት ተዋሲኣ`ላ። ተፈላጥነታ ድማ፡ ምስ ዕቤት`ቲ ኣኻዕባቲ ዕቤት ኖሊዉድ [ኢንዱስትሪ ፊልም ናይጀሪያ] ተታሓሒዙ ምምጽኡ ጽቡቕ ኣጋጣሚ`ዩ ነይሩ። ብሓደ ምስ ካልኦት ከምኣ ኣብ መዝገብ ኤ [A-list] ዝነበሩ ሓያሎ ተዋሳእቲ፡ ኣብ 2004 ብሓደ ሓያል ጉጅለ ተሻብኖ\/ካርተል [ብዓሎቕ ረብሓ ዘናዲ ጉጅለ] ኣብ ጸሊም መዝገብ ምስ ኣተወት ግን፡ ዓቢ ዕንቅፋት ኣጋጢሙዋ። እዞም ካብ ንግዳዊት ማእከል ዝኾነት ከተማ ሌጎስን ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ግዝኣት ኣናንብራ ናይ ናይጀሪያ እትርከብ ኦኒትሻን ንጥፈታቶም ዘሳልጡ ናይ ፊልም ስቱዲዮታት፡ ኣብ 1990ታትን ፈለማ 2000ሓትን ንኖሊዉድ ይምውልዎ ነይሮም። ንኣፍረይቲ ፊልም ገንዘብ እንዳሃቡ ንመን ክቖጽሩ ከምዘለዎም ድማ ትእዛዛት ይህብዎም ነይሮም፡ ይብል ኣብ ደቡባዊት ከተማ ኣሳባ ዝመደበሩ ኣፍራዪ ፊልም ዝነበረ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ቋንቋ ኢግቦ ቪኒኒ ኦጉ። \"ኣብ ሓደ እዋን፡ እዞም ስቱዲዮታት፡ እቶም ኣብ መዝገብ ኤ ዝሰፈሩ ከዋኽብቲ ብዙሕ ገንዘብ ይረኽቡ ኣለዉ ኢሎም ስለዝሓሰቡ፡ ጅሆ ተታሒዞም ከምዘለዉ ኮይኑ ተሰሚዕዎም\" ይብል ቪኒኒ። \"እቲ ኢንዱስትሪ ኣብ ፈለማ ናይ 2000ሓት ጽቡቕ ኣብ ዝማዕበለሉ እዋን፡ ሓደ ኮኾብ ተዋሳኣይ ክሳብ 10 ሚሊዮን ናይራ [28,000 ዶላር] ይረክብ ነይሩ፡ እዚ ኸኣ ብዙሕ ገንዘብ`ዩ ነይሩ\"። ኣንጻር`ቶም ስቱዲዮታት ዝኸይድ ደፋር ኣፍራዪ ብዘይምንባሩ፡ ናጂ ሸቕሊ ስኢና። በዚ ድማ ኣድህቦኣ ናብ ሙዚቃ ብምቕያር፡ ሓንቲ ዋን ሎጎሎጎ ላይን ዝተባህለት ኣልበም ኣሕቲማ። እታ በታ ተምሳሌት ናይ`ቲ ዝሰዓበ ሞያ`ኣ ዝኾነት 'ኖ ሞር' እትብል ሓንቲ ፍቕራዊት ደርፊ እትዝከር እንኮ ኣልበማ \"ካብ ሕጂ ንንዮ ብኽያት የለን፡ ካብ ሕጂ ንንዮ ምብኣስ የለን፡ ካብ ሕጂ ንንዮ ንብዓት የለን፡ ሓርነተይ፣ ሓይለይን ካልእን ተጓናጺፈ`የ\" ዝብል ትሕዝቶ ነይርዋ። ጸሓፊ ሲነማን ዳይረክተርን ዝኾነ ኢሻሃ ባኮ ድማ፡ መሰረት ዕቤታን ምውላድ ነጻ ኣፍረይቲ ኣብ ናይጀሪያን እቲ ዝተነብረ እገዳ ምዃኑ ይሕብር። \"እቲ በቶም ስቱድዮታት ዝተነብረ እገዳ ሕማቕ ነገር ነይርዎ፡ ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ድማ ወሊዱ\" ይብል እቲ ኣብ 2015 ምስ ናጂ ኮይኑ ኣብ`ታ መንገዲ ንጽባሕ [ሮድ ቱ ቱሞሮ] ዘርእስታ ፈላሚት ፊልማ ዝሰርሐ ባኮ። \"ብድሕሪ ካሜራ ህይወት ከምዘሎ ክትግንዘብ ገይራታ`ያ\" ድማ ይብል። ካብ ሽዑ ንንዮ፡ ከም ኣፍራይት መጠን፡ ኣብ ኣየናይ ዓይነት ፊልም እንታይ ዓይነት ገጸ-ባህሪ ሒዛ ትዋሳእን፡ ናይ ምውሳን ስልጣና ሓይሉ። ከም ጓል ሸሞንተ ዓመት ቆልዓ ኮይና`ያ ኣብ`ታ 'ሪፕልስ' ዝተባህለት ህብብቲ ቴሌቪዥን ክትርአ ጀሚራ። ጓል 19 ዓመት ምስ ኮነት ኣብ`ታ 'ሞስት ዎንትድ' እትበሃል ፊልም ሓንቲ ካብ`ተን ሰብኡት መሲለን ዝንቀሳቐሳ ኣርባዕተ ደፋራት ዕጡቓት ዘረፍቲ ኮይና ምስ ተዋስአት`ያ፡ ናይ ኖሊዉድ ሞያ`ኣ ሰማይ ዓሪጉ። ዳይረክተር ፊልም ኣዲም ዊሊያምስ ነታ ንሳ ኣብ 2002 ኮሻም\/ቅንዝር ሰበይቲ ኮይና ዝተሳተፈትላ ፊልም ብምስኣሉ፡ \"ዝናኣ ኣብ ምብራኽ\" ተራ ከምዝተጻወተ ይዛረብ። \"ኣብ`ቲ ዝናኣ እናዓበየ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን፡ ሻሮን ስቶን ተባሂላ`ያ ትጽዋዕ ነይራ፡ ኣነ ድማ ነታ ፊልም ደሪሰያን ኣልየያን። ብኡ ንብኡ ኣዝያ ህብብቲ ብምዃን ድማ መለለዪታ ኮይና\" ይብል ንሱ። ንፈለማ እዋን ምስ ረኸባ \"ኣዝያ መስተውዓሊት\" እያ \"ንኮኾብ ተዋሳእነት ድልውቲ ዝነበረት ድማ ትመስል ነይራ\" ኢሉ ዳም ይገልጻ። ምናልባት መዕበያኣ`ውን ሓጊዝዋ ክኸውን ይኽእል`ዩ። ኣብ`ታ ዕምርቲ ከተማ ሌጎስ ኣብ ሓደ ማእከላይ ደርቢ ዝነበረ ቤት`ያ ዓብያ። ኣቡኣ ኢንጂነር ኣዲኣ ድማ መምህር እዮም። ኣብ ብዙሕ ፊልምታት ምሳኣ ሓቢሩ ዝተዋስአ ሪቻርድ ሞፈ ዳሚጆ ድማ፡ ናይ ተፈጥሮ ተውህቦ ኣለዋ ይብል። \"ሓንቲ ካብ ንግስትታትና`ያ ነይራ፡ ሕጂ`ውን`ያ። ወትሩ ድማ ዕዉት መንፈስ ሒዛ`ያ\" ኢሉ ንቢቢሲ ገሊጹ። ንኢንዱስትሪ ፊልም ናይጀሪያ ብዝገበረቶ ኣስተዋጽኦ፡ ኣብ 2011 ብመንግስቲ ናይጀሪያ ናይ ክብሪ ሽልማት ተሸሊማ። በዚ ከይዓገበት ግን ምእላይ ፊልም`ውን ክትፍን ደልያ። ኔትፍሊክስ መዐቀኒታት ብቕዓት ብምሃብ ክሕግዝ ይኽእል`ዶ? ኣብ 2018 ኔትፍሊክስ መሰል ዋንነት ናይ ላየን ሀርት ከምዝረኸበ ምስ ኣቃልሐ፡ ንኢንዱስትሪ ፊልም ናይጀሪያ ዓቢ ድርዒ ክኾኖ`ዩ ተባሂሉ ነይሩ። ኔትፍሊክስ ኣዝዩ ልዑል መዓቀኒ ብቕዓት ኣለዎ። እቶም ኣፍረይቲ ድማ ጽቡቕ ብቕዓት ዘለዎም ፊልምታት እንተኣፍርዮም፡ ከም መበቆላዊ ፊልም ሸይጦም ብዙሕ ገንዘብ ክረኽቡ ይኽእሉ\" ይብል ናይጀሪያዊ ኣፍራዪ ኬነት ግያንግ። ኖሊዉድ ሚሊዮናት ዶላራት ዝውንን ትካል`ዩ፡ እንተኾነ ግን ንቴክኒካዊ ዝርዝራትን ጽውያ ዛንታን ብዙሕ ኣድህቦ ኣይወሃብን። ንሓደ ፊልም ብማእከላይ ገምጋም፡ ካብ 15,000 ክሳብ 70,000 ዶላር ባጀት ስለዝስለዓሉ፡ መብዛሕትኦም ፊልምታት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ይሳኣሉ`ሞ፡ ኣኽሰብቲ ክኾኑ ድማ ትጽቢት ይግበረሎም። ውዕል ናጂ ምስ ኔትፍሊክስ \"ካብ ካልኦት ምንጭታት ኣታዊ ክርከብ ከምዝኽእል ተኽእሎ ከምዘሎ በሪ ከፊቱ`ሎ\" ኢሉ፡ ኣብ`ታ ሰሜናዊት ከተማ ጆስ ዝመደበሩ ውልቃዊ ኣፍራዪ ኬነት ግያንግ። \"እቲ ውዕል ናይ ኔትፍሊክስ፡ ጽቡቓት ፊልምታት ኣኽሰብቲ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ካልኦት ኣፍረይቲ ክፈልጡ ገይሩ`ዩ ኢሉ ይሰማማዕ፡ ሃያሲ\/ነቓፊ ፊልም ኦሪስ ኣይግቦኻኤቭቦሎ። 'ላየን ሀርት' ንውድድር ኦስካር ምስ ተሓጸየት፡ \"ኣብ ታሪኽ ሲኒማ ናይጀሪያ ቀላሲ ህሞት`ዩ\" ኢላ ገሊጻቶ ንናጂ። ኣብ ብሉጻት ጠባያት ዓለማዊ ፊልምታት ግን \"ብኻልኦት ቋንቋታት ዝተዓብለሉ፡ ብዙሕ ዘረባ እንግሊዝኛ ዘይብሎም ክኾኑ ኣለዎም\"። እታ ናጂ ባዕላ`ውን እትዋሳኣላ 'ላየን ሀርት' ግን ናይ 11 ደቒቕ ጥራይ፡ ናይ ቋንቋ ኢግቦ ሃልይዎ እቲ ዝተረፈ ብዓብላልነት ቋንቋ እንግሊዝኛ`ዩ። በዚ`ያ ድማ ካብ`ቲ ውድድር ናይ ኦስካር ተነጺጋ። ንናጂ ግን \"መን ክገዝኣና [ኮሎናይዝ] ክገብረና ከምዘለዎ ምርጫና ኣይነበረን\" ብምባል ብመንገዲ ትዊተር ምላሽ ሂባ። እቶም ሕግታት ንጹራት`ዮም፡ ኮሚቴ መረጽቲ ናይጀሪያ ግን፡ ጸይቂ ስራሕ ሰሪሖም። ገለ ሰባት፡ እቲ ናይ ምንጻግ ስጉምቲ ብዙሓት ብመቦቆላውያን ቋንቋታት ዝስርሑ ፍልምታት ንምፍራይ ነጥበ-መቐይሮ ክኸውን ይኽእል`ዩ ይብሉ። \"ኖሊዉድ ለውጢ ዘይደሊ ህልኸኛ ምዃኑ ኣመስኪሩ`ሎ። ምናልባት ናጂ ጀነቬቭን ካልኦትን መሪሕ ክኾኑ ይኽእሉ ይኾኑ\" ኢሉ ኣይግቦኻኤቭቦሎ። ምናልባት፡ እዚ ምንጻግ`ዚ፡ ነቲ ዳይረክተርን ኖሊዉድን ሓዲሽ ምዕራፍ ይኸፍተሎም ይኸውን።","category":"ፊልም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50515358"} {"headline":"ኮኾብ ተዋሳኣይ ብላክ ፓንተር፡ ቻድዊክ ቦዝማን ኣብ 43 ዓመቱ ብሕማም መንሽሮ ዓሪፉ","content":"ኣብ ፊልም ብላክ ፓነተር ብዝነበሮ ተሳትፎ ተፈላጥነት ዝረኸበ ኣሜሪካዊ ተዋሳኣይ ቻድዊክ ቦዝማን ኣብ 43 ዓመቱ ብሕማም መንሽሮ ዓሪፉ። ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተዘርግሐት ብላክ ፓንተር ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣድናቖት ዝረኸበት ብፍላይ ድማ ንኣፍሪቃውያንን ጸለምትን ክብሪ ዘጎናጸፈት ፊልም እያ ክበሃል ይከኣል። ቦዝማን ኣብ ሎስኣንጀለስ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ በዓልቲቤቱን ኣባላት ስድርኡን ኣብ ጎድኑ ኣብ ዝነበርሉ ከም ዝዓረፈ ተገሊጹ። እቲ ተዋሳኣይ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ጀሚሩ ብመንሽሮ መዓናጡ ክሳቐ እኳ እንተጸንሐ ኣብ ሚድያ ተዛሪብሉ ኣይፈልጥን። እቲ ዜና ንኣፍቀርቲ ፊልም ኣደንጽዩ እዩ። ዳይሬክተር 'ጌት ኣውት' ጆርዳን ፔሊ \"ተስፋ ዘቑርጽ\" ክብል ገሊጺዎ። ኣባላት ስድራቤቱ ብማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዝዘርግሕዎ መግለጺ፡ \"ተስፋ ዘይቆርጽ እዩ ኔሩ፤ ኣብ ዝሓለፎም ኣሸገርቲ ኩነታት ተጸሚሙ ብዙሓት እትፈትውዎም ፊልምታት ናባኹም ኣቕሪቡ\" ኢሎም። ቦዝማን፡ \"ፍሮም ማርሻል ቱ ዳ 5 ብላድሰ፡ ኦገስት ዊለሶንስ ማ ሬኒይስ ብላክ ቦቶምን፡ ኣብ ካልእ ፊልምታትን ክዋሳእ ከሎ፡ ኣብ መንጎ መጥባሕነን ኬሞተራፒን\" ይገብር ምንባሩ ዝሓበረ እቲ መግለጺ፡ ኣብ 'ብላክ ፓንተር' \"ንንጉስ ቺታላ ክውን ምግባሩ ዓብዪ ክብሪ እዩ\" ኢሉ። ቦዝማን ሓቀኛ ሰባት'ውን ወኪሉ ብምውሳእ ፍሉጥ እዩ ነይሩ። ተጻዋቲ ቤዝቦል ጃኬ ፎቢንሰን ከምኡውን ደራፊ ሙዚቃ ሶል ጀምስ ብራውን ወኪሉ ተዋሲኡ'ዩ። ብዙሓት ግና በቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝዘርግሖ ፊልም ብላክ ፓንተር ዝያዳ ይዝክርዎ። ቦዝማን ኣብቲ ፊልም፡ መራሒ ዋካንዳ፡ ብዝተራቐቀ ቴክኖሎጂ ዝማዕረገት ፈጠራዊት ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይኑ እዩ ዝዋሳእ። ኣብታ ፊልም ናይ ብናይ ምውሳእ ክእለቱ ኮኾብ ኮይኑ ክምረጽ እንከሎ፡ እታ ፊልም፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ሲነማ ተዓዋቲት ልዕሊ 1.3 ቢልዮን ዶላር ክትከውን በቒዓ። እታ ፊልም ብጸሊም ዳይሬክተር ርያን ኩግለር፡ ተኣልያ ብብዝሒ ጸለምቲ ዝተዋስኡላ ብምዃና ከም ባህላዊ እምነ-ምዕራፍ ኮይና ትጥቀስ። ፊልም ብላክ ፓንተር ብዓውዲ ምሩጽ ምስሊ ንሽልማት ኦስካር ዝተሓጸየት ናይ ፈለማ 'ሱፐርሂሮ' ፊልም እያ።","category":"ፊልም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/53943967"} {"headline":"ሽልማት ጉማ: ኣዘራራቢ መደረታትን ኣከዳድናን ስነጥበበኛታት ኢንዱስትሪ ፊልም ኢትዮጵያ","content":"ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳም: ኣብ ኢትዮጵያ ዝተዋህበ ‘ሽልማት ጉማ’ ካብ ቅድሚ ሕዚ ብዝተፈለየ መልክዑ ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ብፍላይ ኣብቲ መድረኽ ሽልማት ካብ ዝተዓወቱ ሰብ ሞያ ፊልም ሓደ ዝነበረ ኢሳያስ ታደሰ፡ ‘‘ ኣደይ ደም ንብዓት እናነብዐት፣ . . . . በዚ ሽልማት ክሕጎስ ኣይክእልን’’ ኢሉ ምዝራቡን ከምኡውን ኣከዳድና ገለ ዕዱማት እቲ መድረኽ ኣቃልቦ ብዙሓት ዝሰሓበ'ዩ ነይሩ፡፡ ብሽም እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ሕብራዊ ዝኾነ ብሚሸል ፓፓኪስ ዝተሰርሐ ፊልም ‘‘ጉማ’’ ዝተሰየመ መድረኽ ሽልማት፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሆቴል ስካይ ላይት እዩ ተኻይዱ፡፡ በብዓመቱ ዝካየድ እዚ ሽልማት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ኣይተሳለጠን፤ ሎሚ ዘበን ግና ብድምቀት ተጸንቢሉ፡፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ሽልማት: 45 ፊልምታት ንውድድር ዝቐረቡ ኮይኖም፡ ካዚኦም እቶም 15 ብዝተፈላለዩ 16 ምድባት ሕጹያት ኮይኖም ቀሪቦም ነይሮም፡፡ በዓል ሞያ ፊልም ኢሳያስ ታደሰ እንታይ ኢሉ? ኣብቲ መድረኽ ሽልማት፡ ብምድብ ሓጺር ፊልም፡ ሕጹይ ኮይኑ ዝቐረበ ናይ ኢሳያስ ታደሰ ‘ቀብድ’ ዝብል ፊልም ተዓዊቱ፡፡ ሽሙ ብመራሒ መድረኽ ተጸዊዑ ናብ መድረኽ ዝወጸ ኢሳያስ ድማ ብትግርኛ ሓጺር ዘረባ ኣስሚዑ፡፡ ‘‘የቐንየለይ’’ ብምባል ዘረብኡ ዝጀመረ ኢሳያስ፡ በቲ ሽልማት ክሕጎስን ክብሪ ክስመዖ ይግባእ ከምዝነበረ ጠቒሱ፡ ‘‘ይኹን ዳኣምበር ኣደይ ደም ንብዓት እናነብዐት፣ ሓወይ ተቐቲሉ ናብ ገደል እናተወርወረ፣ እርምቲ ሓፍተይ ግዕዙያት እናደፈርዋ ኣብ ዘለሉ ግዜ፡ ታሕጓስ ክስመዓኒ፣ ክብሪ ክስመዓኒ . . . ዓቕሚ ይሓጽረኒ’’ ብምባል ብዛዕባ እቲ ኣብ ክልል ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላዉ ዘለዎ ስሚዒት ገሊጹ፡፡ ‘‘ንብዓት ኣደይ እንትሕበስ፣ ክብሪ ዓደይ እንትምለስ ከርክበሉ እየ’’ ብምባል ሰላምን ራህዋን ንኹሉ ወዲሰብ ተመንዩ፡ ሽልማቱ ዓቲሩ ካብ መድረኽ ወሪዱ፡፡ ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ መድረኻት፡ ወቕታዊ ኩነታት፣ ፖለቲካዊ መርገጺን ካልኦት ዛዕባታትን ኣመልኪትካ ምዝራብ ሓድሽ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ከም ኦስካር ዝበሉ ዓበይቲ ናይ ሽልማት መድረኻት፡ ተዓወትቲ ጥራሕ እንተይኮኑስ መራሕቲ መድረኽን ዕዱማትን ወሰንቲ ኣብ ዝበሃሉ ጉዳያት ዘለዎም ቅዋምን ነቐፌታን ከቕርቡ ይስምዑ፡፡ ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ: ቅትለት: ጾታዊ ዓመጽ: ጭውያን ዝምታን ዝርከብዎም ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኣሻቓሊ ብርኪ በጺሑ ከምዘሎ እዮም ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝዛረቡ፡፡ በቲ 24 ጥቅምቲ 2013 (04 ሕዳር 2020) ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ብህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ትግራይን ዝተጀመረ ኲናት ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግለጽ፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ኣሕመድ እውን ኣብ ክልል ትግራይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ከምዝተፈጸመ ብምእማን፡ ኣብቲ ተግባር ዝተሳተፉ ናብ ሕጊ ከምዝቐርቡ ምሕባሩ ይዝከር፡ ኣከዳድና ዕዱማት ኣብ መድረኽ ሻብዓይ ሽልማት ጉማ፡ ዝተፈላለዩ ዕዱማት ተኸዲኖምዎም ዝነበሩ ኣልባሳት እውን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣዘራረብቲ ኮይኖም ነይሮም፡፡ ኣብቲ ብዙሓት ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ዝተዓደሙሉ መድረኽ፡ ውሑዳት ፍልይ ዝበሉ ባህላውን ዘበናውን ክዳውንቲ ተኸዲኖም ተረኺቦም፡፡ ብፍላይ ገሊኦም ዝተኸደኑዎም ዝበሉ ክዳውንቲ ብዙሓት እንትንእድዎም፡ ገሊኦም ድማ ወቐሳ ዝሓዘሉ ርእይቶታት በጺሕዎም፡፡ ገሊኦም፡ 'ክሽፈን ንዝነበሮ' ኣካላቶም ዘርኢ ብምኽዳኖም'ዮም ተነቒፎም። ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝሓየለሉ እዋን ብዙሓት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘይምግባሮም ካልእ መዘራረቢ ርእሰ ጉዳይ ኮይኑ ነይሩ፡፡ ኣብ ሽልማት ጉማ፡ ኣየኖት ፊልምታት ሕጹያት ኮይኖም ቀሪቦም? ንሽልማት ፊልም ጉማ ዘዳሉ፡ ኢትዮ ፊልም ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር፡ ዕላማ እቲ መድረኽ ‘‘ጽቡቕ ብቕዓት ንዘርኣዩ ፊልምታትን ተዋሳእትን ክብርን ኣፍልጦን ምሃብ’’ ከምዝኾነ ይገልጽ፡፡ ኣብዚ መድረኽ፡ ካብ ዝተወዳደሩ 45 ፊልምታት እቶም 15 ብ16 ምድባት ተሓጽዮም ነይሮም፡፡ ካብዚኦም ‘‘ኣንሳሮ’’ ዝብል ናይ ምስግና ኣጥናፉ ፊልም ኣብ 13 ምድባት ተሓጽዩ ነይሩ፡፡ ከምኡ ድማ ‘ቁራኛዬ’ ኣብ 12፣ ‘ተፈጣሪ’ ኣብ 10፣ ‘ሶስተኛ ኣይን’ን ‘ወጣት ኣብ 97’ን ኣብ7፣ ‘ሱማሌው ቫንዳም’ ኣብ 6 ምድብ ተሓጽዮም ነይሮም፡፡ እቲ ውድድር ብምእላይ (ዳይሬክቲንግ)፣ ሲኒማቶግራፍን (ስእልን ቀረጻን) ከምኡ'ውን ምውሳእን ሓዊሱ ብሓፈሻ ብ18 ክፍልታት እዩ ተኻይዱ፡፡","category":"ፊልም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56566417"} {"headline":"ከቢድ ድርቂ ዘጋጠማ ቻይና ዝናብ ዝፈጥሩ ሮኬታት ትትኩስ ኣላ","content":"ሰብ መዚ ቻይና ከቢድ ድርቅን ዋዕን ኣብ ዘጋጠሞም ከባቢታት ማእከላይን ደቡባዊ ምዕራብን እታ ሃገር ብሰብ-ሰርሖ መገዲ ዝናብ ንምዝናብ ይፍትኑ ኣለዉ። ኣብ እስያ ዝነውሐ ሩባ ያንግትዚ ቅድሚ ሕዚ ብዘይተርኣየ መጠን፡ ትሕዝቶ ማዩ ቀኒሱ እዩ። ኣብ ገለ ከባቢታት ድማ እቲ ብልሙድ ዝናብ ብትሕቲ ፍርቂ ነክዩ ኣሎ። ግድባት መመንጨዊ  ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝሕዝዎ መጠን ማይ'ውን ብፍርቂ ከም ዝቐነሰ ሰብ መዚ ይሕብሩ። ንክልተ ኣዋርሕ ቀጺሉ ዘሎ ማዕበል ዋዒ ኣብታ ሃገር እቲ ዝነውሐ ከምዝኾነ ማእከል ክሊማ ቻይና ይገልጽ። ኣብ ጥቓ እቲ ብድርቂ ዝተጎድአ ሩባ ያንግትዚ ዝርከቡ ግዝኣታት ብሰብ-ሰርሖ መገዲ ደበና ናይ ምፍጣር ወፍሪ ጀሚረን ዘለዋ ኮይነን፡ ሁበይ እትርከበን ግዝኣታት፡ ኬሚካል ዝጸዓና ሮኬታት ናብ ሰማይ ይትኩሳ ከምዘለዋ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ገሊጸን። ኣብ ገለ ከባቢታት ግና  ዋሕዲ ደበና ብምህላው ዕንቅፋት ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ከም ሲችዋን ዝበላ ግዝኣታት፡ ድሮ መጠን ዋዒ ልዕሊ 40 ዲግሪሰንቲግረድ ክበጽሕ እንከሎ፡ ተደጋጋሚ ምቁርራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ የጋጥም ኣሎ። ነቲ ዘጋጠመ ሕጽረት ሓይሊ ኤለሌክትሪክ ንምእላይ ፋብሪካታት ብሙሉእ ወይ ብከፊል ስራሕ ደው ከብሉ ይግበር ከምዘሎ እውን ጽብጻባት ይሕብሩ።","category":"ደርቂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72wypn2w70o"} {"headline":"ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ኣሪዞና ዕምብረ ዶሮና ተኸሲቱ","content":"ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ኣሪዞና ብሰንኪ ዘጋጠመ ዕምብረ ዶሮና፡ ሓይሊ ኤሌትሪክ ተቛሪጹ። ብፍላይ ኣብ ከተማ መሳ ሰባት ንሓድሕዶም ምርእኣይ ክሳብ ዝስእኑ ጌርዎም።","category":"ደርቂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cl71wnk84kpo"} {"headline":"ብሰንኪ ድርቂ ኣብ ዝነቐጸ ሩባ፡ ዘይተፈንጀረ ቦምባ ካልኣይ ኲናት ዓለም ተረኺቡ","content":"ኣብ ሓደ ሩባ ኢጣልያ ጥሒሉ፡ ንሓያሎ ዓመታት ከዘይተፈንጀረ ዝፀንሐ ቦምባ ካልኣይ ኲናት ዓለም ብሰንኪ ብርቱዕ ድርቂ ተቓሊዑ። እቲ 450 ኪሎ ግራም ዝምዘን ቦምባ፡ ኣብ ገምገም እቲ ዝተፀንቀቐ ሩባ “ፖ” እዩ ብገፈፍቲ ዓሳ ተረኺቡ። ሰፊሕ ክፋላት ናይቲ 650 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ሩባ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢጣልያ፡ ድሕሪ 70 ዓመታት ዘጋጠመ ዝኸፍአ ድርቂ ከምዝነቐጸ ተገሊፁ’ሎ። ዘይልሙድ ውዑይ ኩነታት ኣየርን ትሑት መጠን ዝናብን፡ ንሕጽረት ማይ ሰሜናዊ ኢጣልያ ከጋድዶ እንከሎ፡ ንስግኣት ሳዕቤናት ክሊማዊ ለውጢ ኣዛዪዱዎ ኣሎ። ሹመኛ ሰራዊት ኢጣልያ ኮሎኔል ማርኮ ናሲ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ \"እቲ ቦምባ ብገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ገምገም ሩባ ፖ ተረኺቡ\" ኢሉ። ሰበስልጣን ሰራዊት ኢጣልያ ከምዝብልዎ እቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተረኸበ ዘይተፈንጀረ ቦምባ ኣብ ውሽጡ 240 ኪሎ ግራም ዝምዘን ተፈንጃሪ ዝሓዘ እዩ። ክኢላታት ምእላይ ቦምባታት፡ መስርሕ ምምካን እቲ ቦምባ ከካይዱ ብዝብል ኣብቲ ከባቢ ንዝነብሩ ኣስታት 3,000 ሰባት ካብቲ ቦታ ክወፅኡ ከምዝተገበረ ጸብጻባት ይሕብሩ። ከንቲባ ናይቲ ከባቢ ፍራንቸስኮ ኣፖሪ \"ኣብ መጀመርታ ገለ ካብቶም ነበርቲ ካብ መንበሪኦም ክወጽኡ ከምዘይደልዩ ገሊጾም ነይሮም። ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ግን ንኹሉ ዘእመንና ይመስለና\" ክብል ተዛሪቡ። ክሊ ኣየር ናይቲ ከባቢ እውን ንሓጺር እዋን ዝተዓፀወ ኮይኑ ኣብቲ መስመር ማይ ዝነበረ ትራፊክ’ውን ክግታእ ተገይሩ ነይሩ። ኣብ ኢጣልያ እቲ ዝነውሐ ሩባ ፖ ካብ ደቡባዊ ምዕራብ ኣልፕስ ንታሕቲ ክሳብ ባሕሪ ኣድሪያቲክ ይውሕዝ። ካብዚ ዓመት ዝተረኽቡ ዓመታዊ ሳተላይት ምስልታት ከምዘመልክትዎ ግን ብሰንኪ ከቢድ ድርቂ ዝነቐጸ ክፋሉ ይሰፍሕ ከምዘሎ የርእዩ። ሰበስልጣን ኢጣልያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዙርያ እቲ ኣስታት ሓደ ሲሶ ምህርቲ ሕርሻ እታ ሃገር ብመስኖ ክካየድ ዝሕግዝ ሩባ ፖ ዝርከቡ ከባቢታት ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣዊጆም ነይሮም። ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብሰንኪ ሙቐትን ሕጽረት ዝናብን ኣዝዩ ስለዝጎደለ፡ ሓረስቶት ስንጭሮ ፖ፡ ኣብዚ እዋን ጨዋም ማይ ባሕሪ ናብቲ ሩባ ይልሑዅ ብምህላዉ ኣእካል የበላሽው ከምዘሎ ይዛረቡ።","category":"ደርቂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72dm6epr7jo"} {"headline":"ዛንታ ‘ኣእማን ጥምየት’ ኤውሮጳ እንታይ እዩ?","content":"ብሰንኪ ብርቱዕ ዋዕን ዋሕዲ ዝናብን ብዙሕ ከባቢታት ኤውሮጳ ሓደጋ ደርቂ የንጸላልዎ ኣሎ። ከም ሳዕቤኑ ኣብ ገሊኡ ናብ ምንጻፍ ገጹ ዘምርሕ ምጕዳል ፍሰት ዋሕዚ ሩባታት ይረአ ብምህላው እቲ ቀደም ዘበን ዝንገር ዝነበረ ናይ ደርቂ ዛንታታት ከየጋጥሙ ከቢድ ስክፍታን ሻቕሎትን ኣሕዲሩ ኣሎ። ብኻልእ መዳይ'ውን ነቲ ብቐጻሊ ዝዝረበሉ ግን ኣእዛን ዓለም ብግቡእ ዘየቕለበሉ ብሰንኪ ምውሳኽ መጠን ሙቐት ዝኽሰት ዘሎ ዓለማዊ ኪሊማዊ ለውጢ ዓቢይ መጠንቀቕታ ይኸውን ኣሎ። ኣብ ዓበይቲ ሩባታት ብልሙድ ‘‘ኣእማን ጥምየት’’ ተባሂሎም ዝጽውዑ፡ መጠን ፍሰት ወሓዚ ኣዐርዩ ክጐድል እንከሎ ዝረኣዩ ሰረት ፈለግ ኣኻውሕ ኣለው። ምስዞም ኣእማን ዝተሓሓዝ ብሰብ ቀደም ዝተገደፈ ዛንታታት፡ ምስ ሕጽረት ማይ ዝኽሰት ሕሰምን መከራን ዘመላኽት ኰይኑ ቅድሚ ሕጂ ንዝተራእየ ደርቂ ዝወለዶ ስቓይ ዘዘክር እዩ። ብዛዕባ'ዚ ብዝምልከት ቅድሚ ዓሰርተታን ኣማኢትን ዓመታት ተጻሒፎም ብ 8 ነሓሰ ኣብ ትዊተር ዝተለጠፉ ጽሑፋት ኣዘራረብቲ ኰይኖም ቀንዮም። እቲ ዝነውሐ ዕድመ ዘለዎ ኣብ ከውሒ ዝተወቕረ ጽሑፍ፡ ኣብ ሰረት ፈለግ ሩባ ኤልብ ዝተረኸበን ኣብ 1616 ብቛንቋ ጀርመን ዝተጻሕፈን እዩ። እቲ ጽሑፍ፡ \"ንዓይ እንተርኢኹሙኒ ብኸዩ\" ኸኣ ይብል። እዚ እቲ ኣዐርዩ ፍሉጥ \"እምኒ ጥምየት\" እዩ፤ ምኽንያቱ ናይቶም ዘጋጠሙ ዝኸፍኡ እዋናት ድርቂ ዝርዝር ስለዝሓዘ። (እቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ልጣፍ ትዊተር፡ ምስሊ ናይቲ ብቋንቋ ጀርመን ዝተጻሕፈ ጽሑፍ እዩ። \"ናዓይ እንተርኢኹምኒ፡ ብኸዩ\" ይብል።) ጕጅለ ሰብሞያ ስነጥንቲ - ኣርኪዮሎጂ - ቼክ ኣብ 2013 ዝገበርዎ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ ዓመታት 1417, 1616, 1707, 1746, 1790, 1800, 1811, 1830, 1842, 1868, 1892 ን 1893 ኣብቲ እምኒ ተዘርዚሮም ኣለዉ። ኣብ ካልእ ከውሒ ዝተወቐረ ጽሑፍ ድማ፡ \"እዚ እምኒ እንተጠፊኡ ህይወት መሊሳ ክትልምልም እያ\" ይብል። ኣብ ካልእ ከውሒ ዝተረኽበ ጽሑፍ ከኣ ‘‘እቶም ቅድሚ ሕጂ ዝረኣዩኒ በኽዮም እዮም፤ እቲ ሕጂ ዝርእየኒ ዘሎ ድማ ክበኪ እዩ\" ብምባል ይትንበ። \"ነዚ እምኒ እንተርኢኻዮ እውን ክትበኪ ኢኻ፤ እቲ ማይ፡ ኣብ 1417 ናብዚ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ እዩ ወሪዱ ነይሩ\" ይቕጽል። ቀደም፡ መጠን እቲ ሩባ፡ ክንድዚ ደረጃ እንተዳአ ወሪዱ ብዙሓት ሰባት ጥምየትን ሕሰምን የጋጥሞም ነይሩ ማለት’ዩ። ድርቂ ኣዝርእቲ የብርስ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቶም እኽሊ ዝጓዓዓዘሎም ማያዊ ኣካላት እውን የድርቖም ነይሩ። ድሕሪ እዚ ጥምየት እዩ ዝስዕብ። ኣብ ሕሉፍ እዋን ከም ኦስትርያ፡ ቺኮዝሎቫክያ፡ ጀርመን፡ ሃንጋሪ፡ ፖላንድን ስዊዘርላንድን ዝኣመሰላ ሃገራት ማእከላይ ኣውሮጳ ኣብ ወሰን ሩባ ንዝነበሩ ልሙዓት መሬት ብምሕራስ ምግቢ ይረኽባ ነይረን። ጀርመናዊ ጋዜጠኛ ኦላፍ ኮይነስ ድማ ነቶም ኣእማን ዝገልጽ ናይ ጀርመን ቃል ከምዘሎ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።\\n\"ሃንገርስተይነ\" ዝብል ጽሑፍ፡ \"ኣእማን ጥምየት\" ከም ማለት ይትርጐም። እቲ ቓል ካብ ሓደ ንዓመተ 1947፡ \"ዓመተ ጥምየት\" ኢሉ ዝገልጽ ኣብ እምኒ ዝተወቕረ ጽሑፍ ዝተወሰደ እዩ።ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ፡ ኣብ ማእከላይ ኣውሮጳ፡ ደርቂ ከም ምልክት ክሊማዊ ለውጢ ተገይሩ ይውሰድ ኣሎ፡ ካብቶም ብዙሓት ኣእማን ዝረኣዩለን ከተማታት ሓንቲ፡ ምስ ጀርመን ኣብ ዘዳውብ ኣብ ከባቢ ቼክ እትርከብ፡ ሩባታት ኤልብንን ፕሎውቺንስን ዝራኸቡላን ከተማ ደቺን እያ። ልዕሊ 10 ዝዀኑ ኣብ ሰረት ሩባ ኤልብ ዝርከቡ ኣእማን ከኣ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ንዝሓለፈ ክፉእ ዘበን የዘኻኽሩዎም። ካልእ እምኒ ጥምየት እውን ኣብ ጀርመናዊት ከተማ ሾንቤክ ንምርኢት ቀሪቡ ኣሎ። ኣብ ጥቓ እቲ መጠን ማዩ ቀኒሱ ዝነበረ ፈለግ ሃርበር ከኣ እዩ ተረኺቡ። ምቕልቃል ወይ ምርኣይ ናይቲ እምኒ፡ ኣብ ዝባን እቲ ሩባ ብጀልባ ምጉዓዝ ከምዘይከኣል ዘመልክት እዩ ይብሉ እቶም ቀዳሞት። መብዛሕትኦም እቶም ኣእማን ጥምየት ከኣ ኣብ ሩባ ኤልብ እዮም ተራእዮም። ምልክታት ደርቂ ዛጊድ ኣብ ልዕሊ 60 ሚእታዊት ግዝኣት ኣውሮጳ ጽልዋ ከምዝፈጥረ ተዓዛቢ ደርቂ ኣውሮጳ (ኢ ዶ ኦ) ይገልጽ። ዓበይቲ ሩባታት እንግሊዝ፡ ጀርመንን ጥልያንን መጠን ማዮም ቀኒሱ ኣሎ። ትሑት መጠን ማይ ኣብ ዝተርኣየላ ኢጣልያዊት ከተማ ማንቱዋ ኣእማን ጥምየት ኣይተራእዩን። ኣብ ክንድኡ ግን ኣብ ሰረት ፈለግ ሩባ-ፖ፡ 450 ኪግ ዝምዘን ዘይተፈንጀረ ናይ ካልኣይ ኲናት ዓለም ነታጕ ተረኺቡ። ስለዝዀነ ኣብዚ ቀረባ ሳምንቲ ከም ፈረንሳን ስጳኛን ዝኣመሰላ ሃገራት መጠን ዘህልኸኦ ማይ ክቕንሳ ተገዲደን ኣለዋ። ኣብ ገለ ከባቢ እተን ሃገራት፡ ሰብ መዚ፡ መጠን ዝባኽን ማይ ብውሱን ደረጃ ከምዝንኪ እውን ገይሮም። ኣብ 7 ነሓሰ ሰብ መዚ ፈረንሳ፡ እታ ሃገር ካብ 1958 ጀሚሩ ዝኸፍአ ደርቂ ኣጋጢምዋ ከምዘሎ ኣዊጆም። ኣብ ጀርመን ድማ ምቕናስ መጠን ማይ ሩባ ራይን፡ በቲ ሩባ ንዝንቀሳቐሱ ወነንቲ መራኸብ መጠን ጽዕነት ክቕንሱ ከምዘገደዶም ወኪል ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ።","category":"ደርቂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cy7lrv3d1j9o"} {"headline":"ቺለ፡ ኣርባሕቲ ንህቢ ኣብ ዘካየድዎ ተቓውሞ ኣባላት ፖሊስ ብንህቢ ተነኺሶም","content":"ኣብ ሃገረ ቺለ፡ ኣርባሕቲ ንህቢ ኣብ ዘካየድዎ ተቓውሞ ኣባላት ፖሊስ ብንህቢ ከምዝተነኽሱ ጸብጻባት ሓቢሮም። እቶም ኣርባሕቲ፡ መንግስቲ ንጽላቶም ደገፍ ክገብር ንምጽዋዕ'ዮም ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት እታ ሃገር ተቓውሞ ኣካይዶም። እቶም ሰልፈኛታት ቆፎታት ንህቦም ሒዞም'ዮም ናብቲ ቦታ መጺኦም ነይሮም። ነቲ መንገዲ ዓጽዩ ዝነበረ ቆፎታት ካብቲ ቀጽሪ ክኣልዩ ዝፈተኑ ብውሕዱ ሸውዓተ ኣባላት ፖሊስ ድማ ብንህቢ ተነኺሶም ተባሂሉ። ኣብታ ሃገር ንነዊሕ እዋን ዝቐጸለ ደርቂ፡ ኣብ ምጭታት መግቢ ንህቢ ዝኾኑ ዕንባባታትን ኣእካልን ከቢድ ሃስያ ኣስዒቡ ምህላዉ ይንገር። ነቲ ኣጋጢምዎም ዘሎ ብድሆታት ንምርኣይ፡ እቶም ኣርባሕቲ ኣስታት 10 ሽሕ ንህቢ ዝሓዙ 60 ቆፎታት ኣብ ፊት ቤተ-መንግስቲ ብምምጻእ፡ ፖሊስ ንተቓውሞኦም ከምዘይብትኖ ክገብሩ ፈቲኖም። ኣብ መወዳእታ ግን ኣርባዕተ ካብኦም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ኣትዮም ኣለዉ። ሓደ ካብቶም ሰልፈኛታት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሞት ዕሰለታት ንህቢ ንዕኦም ጥራይ ዘይኮነ ንመላእ ዓለም ኣዝዩ ዘሕዝን ምዃኑ ተዛሪቡ። መንግስቲ ኣብ ዋጋታት መዓር ምምሕያሽ ክገብር፡ እንተዘይኮይኑ ድማ፡ ንኣርባሕቲ ድጎማ ክህብ'ዮም እቶም ሰልፈኛታት ዝጠልቡ ዘለዉ። ሰብመዚ ሕርሻ እታ ሃገር ብወገኖም፡ መረረታት ናይቶም ኣርባሕቲ ከምዝርድእዎ ብምግላጽ፡ ነቲ ጸገም ንምቅላል ን20 ማሕበረኮማት ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ደገፍ ክገብሩ ምጽንሖም ሓቢሮም። እቶም ኣብ ቦታ ተቓውሞ ካብ ቆፍኦም ዝወጹ ንህቢ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ነበርቲ እታ ከተማ ሻቕሎት ከምዝፈጠርሎም ጸብጻባት ገሊጾም። \"ብፍላይ ነቶም ኣለርጂ ዘለዎም ሰባት ኣዝዩ ሓደገኛ'ዩ፡ ምኽንያቱ ሞት ከስዕብ ስለዝኽእል\" ክብል ሓደ ነባሪ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ። ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ኣብ መላእ ዓለም መጠን ብዝሒ ንህቢ ብሰንኪ ምንቁልቋል ማሕድሮ፡ ብከላ፡ ጸረ-ባልዕን ካልእ ረቛሒታትን ክንኪ ምጽንሑ ይፍለጥ።","category":"ደርቂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59872352"} {"headline":"ሰራሕተኛታት ዓዲ ኢንግሊዝ ብሰንኪ ክብሪ መነባብሮ ኣብ ጐደናታት ለንደን ሰልፊ ኣካይዶም","content":"ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣጋጢሙዎም ብዘሎ ምኽባር ናብራ ዝሓሸ ክፍሊት ብምጥላብ ኣብ ፓርላማ ዓዲ ኢንግሊዝ ሰልፊ ኣካይዶም። እቲ ብማሕበር ሰራሕተኛታት ዝተወደበ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ምስ ክብሪ ዕዳጋ ዝመጣጠን ደሞዝ ክኽፈሎም ይጠልብ። እቲ ማሕበር ኣብ ኣገልግሎት ህዝቢ ዝዓዩ ሰራሕተኛታት ርትዓዊ ደሞዝ ክኽፈሉን እቲ ዝተሓተ መጠን ክፍሊት ንሰራሕተኛታት ጉልበት ከኣ ንሰዓት 15 ፓውንድ ክኸውንን ጻውዒት ኣቕሪቡ። ወሃብ ቃል ክፍሊ ፋይናንስ \"ነቲ ጾር ንምፍዃስ ስጉምቲ ክውሰድ እዩ\" ኢሉ ። እቲ ኣፈኛ ወሲኹ፡ መንግስቲ \"ኣብዚ ዓመት ንሸሞንተ ሚልዮን ዝዀና ኣዝየን ትሑት እቶት ዘለውን ስድራ ቤታት ብውሑድ 1,200 ፓውንድ ሓገዝ ገይሩ'ዩ። ኣብ ርእሲኡ ከኣ ንነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ንወጻእታት ጋዝን ኤለትሪክን ዝኸውን 400 ፓውንድ ተሓጊዞም እዮም” ኢሉ። እቶም ሰልፈኛታት ካብ ፖርትላንድ ፓላስ ሰዓት 12፡00 ተበጊሶም፡ ርትዓዊ ክፍሊት ንሓትት እናበሉ ናብ ኣደባባይ ፓርላማ መሪሾም። ማሕበር ሰራሕተኛታት ብሪጣንያ ብዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ምስ ዝቕባበን ክብሪ ዋጋን ክስጉም ስለዘይከኣለ ካብ 2008 ንደሓር ነብሲ ወከፍ ሰራሕተኛ ዳርጋ ናይ 20,000 ፓውንድ ዓመታዊ ክሳራ የጋጥሞ ከምዘሎ ገምጊሙ። ዋና ጸሓፊ እቲ ውድብ ፍራንሲስ ኦግራዲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ሰራሕተኛታት መንግስትን ወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላትን ድሕሪ 10 ዓመት ዕቤትን ወሰኽን ዘይብሉ ደሞዝ፡ “ ይኣክል- ካብዚ ንላዕሊ ክንጽመም ኣይንኽእል ኢና” ከምዝበሉ ገሊጻ። \"መንግስቲ ክሰምዓና ኢና እንደሊ፣ ሰራሕተኛታት ብሰንኪ ዝቕባበ ገንዘብ [ናይ ምግዛእ ዓቕሚ ምንካዩ] ንሳቐ ኣሎና። ናትና ጸገም ኣይኮነን” ኢላ። ኣብ ደቡባዊ ለንደን፡ ብሪክስቶን፡ ኣብ ዝርከብ ናይ ገበርቲ ሰናይ ማሕበራት ኣባይቲ ዝዓዪ ወዲ 25 ዓመት ቤን ሮቢንሰን ኣብቲ ሰልፊ ነይሩ ። ገሊኦም ነበርቲ፡ \"ንደቆምን እውን ክቕልቡ ኣይክእሉን ዘለው። ወጻኢታት ገዛ ክራይ መውዓዪ ማይን ከቢዱዎም ምርጫ ስኢኖም ይጭነቑ ኣለው\" ኢሉ። መማህራንን ካልኦት ሞያውያንን ዝሓሸ ክፍሊት ንምርካብ ኣብቲ ሰልፊ ተጸንቢሮም ህጹጽ ምላሽ ክወሃቦም ጸዊዖም። እቲ ማሕበር ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ንመምሃራን ዝኽፈል ደሞዝ ኣብዘን ዝሓለፋ 12 ዓመታት ብ19% ወዲቑ’ሎ። መምህር ስቴፈን ብራውን፡ ንዝሓለፈ ሓያሎ ዓመታት ደሞዝና ኣይተወሰኸን፤ ብሰንኩ ከኣ ብዙሓት ካብቶም መሳርሕ ንሞየኦም ከምዝሓደጉዎን እዚ ከኣ ኣብ ተማሃሮ ጸቕጢ ከምዝፈጠረ ሓቢሩ። ክፍሊ ትምህርቲ (DFE) መምህራንን መራሕቲ ቤት ትምህርትን ንተማሃሮኦም ኣብ ምሕጋዝ ዝገብርዎ ቀጻሊ ጻዕሪ ምስጋንኡ ብምግላጽ ንሓደስትን ምኩራትን መምህራን ናይ ደሞዝ ወሰኽ ከምዝገብርን መተባብዒ ሽልማት ከምዝህብን ገሊጹ። ኣፈኛ ክፍሊ ገንዘብ\/ ፋይናንስ ብሪጣንያ \"ከም ኣካል ናይቲ 37 ቢልዮን ፓውንድ ፓኬጅ እንገብሮ ሓገዝ ካብ ነብሲ ወከፍ ሰራሕተኛ ዓመታዊ ልዕሊ 330 ፓውንድ ኣብ ሃገራዊ መድሕን ግብሪ ነኪና ኣሎና። እዚ ድማ እቶም ካብ መንግስቲ ሓገዝ ዝሓቱ ሰባት 1,000 ፓውንድ ዝያዳ ገንዘብ ንኽሕዙ የኽእሎም። እዚ ድማ ንወጻኢታት ሃልኪ ነዳዲ ይድግፎም\" ክብል ገሊጹ።","category":"ደርቂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cm5vy52vl7eo"} {"headline":"ኣብ ዞባ ቦረና ብድርቂ ጥሪቶም ዝሰኣኑ ሓረስቶት ንባዕሎም ፀሚዶም ክሓርሱ ተራእዮም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ: ዞባ ቦረና: ወረዳ ተልተሌ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዘጋጠመ ድርቂ ጥሪቶም ዝሰኣኑ ሓረስቶት፡ ኣብ ክንዲ ብዕራይ ንርእሶም ፀሚዶም ክሓርሱ ምርኣዮም ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ። ሓለፊ ቢሮ ሕርሻ ወረዳ ተልተሌ ኣይተ ብርሃኑ ኣማረ፡ ዋላ'ኳ እዚ ኩነታት ብሰፊሑ ዝረአ እንተዘይኮነ፡ ብሰንኪ እዚ ድርቂ ጥሪቶም ዝሰኣኑ ሓረስቶት፡ ኣብ ክንዲ ብዕራዮም፡ ንባዕሎም ፀሚዶም ይሓርሱ ከምዘለዉ ንቢቢሲ ኣረጋጊፁ። ኣብዚ ሰሙን ነዚ ፍፃመ ዘርኢ ሓደ ተንቀሳቓሲ ስእልታት ብማሕበራዊ ሚድያ ምዝርግሑ ስዒቡ ድማ እዚ ጉዳይ ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ። ኣብቲ ከባቢ መምህር ዝኾነ ኣይተ ዱብ ቡራ እዩ፡ ነዞም ተቪድዮታትን ምስልታትን ብናይ ሞባይሉ ካሜራ ቀዲሕዎም። እዚ ናብ ቢቢሲ ዝተልኣኸ ቪድዮታት ሰባት ብጉጅለ ኮይኖም፡ ንብዕራይ ተኪኦም፡ ንባዕሎም ፀሚዶም ነዊት እናሰሓቡ እንትሓርሱ የርእዩ። መምህር ዱብ ቡራ፡ ነዞም ምስልታት ዝሰኣለሉን ዝቐድሓሉንኣጋጣሚ እንተረድእ፡ ናብ ቤት ትምህርቲ እናኸደ እንከሎ፡ ቅድሚ ሕዚ ርእይዎ ዘይፈልጥ ክስተት ከምዘጋጠሞ ይገልፅ። \"ቅድሚ ሕዚ ርእየዮ ዘይፈልጥ ነገር ስለዝኾነ፡ ብቪድዮ ቀሪፀዮ። ንምንታይ ብኸምዚ ከምዝሓርሱ ምስ ሓተትክዎም፡ 'ከምትፈልጦ ብዕራይ የብልናን'። ናይ ሕርሻ ወቕቲ ስለዝኾነ ድማ ክንሓርስ ይግባእ' ኢሎምኒ\" ብምባል፡ ብዛዕቲ ኩነታት ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ኣብ ወረዳ ተልተሌ ቀበሌ ዳንዲ፡ ብኸምዚ ዓይነት ኩነታት ይሓርሱ ካብ ሞንጎ ዘለዉ ሓረስቶት ሓደ: መንእሰይ ቱራ ቦባ እዩ። ቱራ፡ \"ብሰንኪ እቲ ድርቂ ጥሪትና ስለዝሞታና,፣ ንኣብዑርና ተኪእና ክንሓርስ ንፍትን ኣለና\" ኢሉ። ዓቕሚ ዘለዎም መናእሰይ በብሓሙሽተ ጉጅለ ተጎጂሎም፡ ናይ ጎረባብቶም ግራት ይሓርሱ ከምዘለዉ ድማ ንቢቢሲ ገሊፁ። ነዚ ምስሊ ካብ ዝቐድሖ ሓደ ሰሙን ከምዘቑፀረ ዝገለፀ መምህር ዱብ ድማ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝናብ ይወቅዕ ብምህላዉ፡ ሓረስቶት ኣብ ዝበዝሕሎም ከባብታት ማሕረስ ከምዝተጀመረ ይገልፅ። \"ብሰንኪ እዚ ድርቂ ጥሪቱ ዝሸጠ ኣሎ,፣ ጥሪቱ ዝሞትኦ'ውን ኣሎ። በዚ መገዲ [ንብዕራይ ተኪእኻ] ካብ ምሕራስ ካልእ ኣማራፂ የብሎምን\" ብምባል፡ ዝተወደቡ መናእሰይ፡ ብዕራይ ንዘይብሎምሓረስቶት፡ ብክፍሊት ንብዕራይ ተኪኦም ብጉልበቶም ይሓርስሎም ከምዘለዉ ሓቢሩ። ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ወረዳ ተልተሌ ኣይተ ብርሃኑ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝናብ ምውቃዕ ምጅማሩ ስዒቡ፡ እዚ ወቕቲ ማሕረስ ዝጅመረሉ'ዩ ይብል። ኣብዚ ከባቢ ብዕራይ ዘይብሎም ሰባት፡ ብዕራይ ካብ ዘለዎም ሰባት ተለቂሖም ይሓርሱ ከምዘለዉ ከኣ ይዛረብ። ኣብቲ ወረዳ ክንደይ ዝኣኽሉ ሓረስቶት ብዕራይ ከምዘይብሎም ሓበሬታ ከምዘይብሉ ዝዛረብ እቲ ሓላፊ፡ መንግስቲ እቲ ክልል ግና ንሓረስቶት ዘርእን ማዳበርያን የቕርብ ከምዘሎ ገሊፁ። ግራውቲ ንምሕራስ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ፡ መንግስታውን ዘይምንግስታውን ትካላት ክሕግዙ ድማ ሓቲቱ። ቅደሚ ሒደት መዓልታት ፕሮግራም መግብን ሕርሻን ዓለም፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ዘጋጠመ ድርቂ፡ ካብ 14 ክሳብ 15 ሚልየን ሰባት ንጥሜት ክቃልዑ ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቑ እዩ። እቲ ትካል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ እቲ ድርቂ ኣስታት 7.2 ሚልየን እንስሳ ሞይተን ክኾና ከምዝኽእላ ብምግላፅ፡ ኣብ ደቡብን ደቡብ ምብራቕን እታ ሃገር ዘለዉ ሰባት ኣብ ውሽጢ 40 ዓመታት ርእየሞ ዘይፈልጡ ድርቂ ኣጋጢምዎም ኢሉ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ሰባት ንምሕጋዝ፡ ኣብ ዝቕፅሉ ሽድሽተ ኣዋርሕ 239 ሚልየን ዳላር ከምዘድሊ ኣፍሊጡ'ሎ።","category":"ደርቂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61189317"} {"headline":"ስድራይ ብዕጽፊ ንዝዓብየኒ ብኸብቲ ለዊጦምኒ'","content":"እናት፡ ገና ጓል 13 ዓመት እንከላ እያ፡ ካብ ትምህርታ በዂራ ብዕድመ ብዕጽፊ ምስ ዝዓብያ ዘይትፈልጦ ሰብኣይ ክትምርዖ ተገዲዳ። ምኽንያት ናይዚ፡ ብሰንኪ ደርቂ ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ስድራቤታ ንምሕጋዝ እዩ። እቲ ሕጂ ኣብ ገለ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂ ምጽዋር ዝኣበዮም ስድራቤት፡ ህይወትን መጻእን እናት መስዋእቲ ገይሮም፡ ብ17 ዓመት ካብ ዝዓብያ በዓልቤታ ከብቲ ተቐቢሎም። እናት፡ ብሩህ ኣእምሮ ዘለዋ፡ ትምህርቲ እትፈቱ ቈልዓ'ኳ እንተነበረት፡ ዕድመኣ ከይኣኸለ ብምምርዓዋ ግን ኵሉ ሕልምታታ ተቘጽዩ'ሎ። “እዚ ዅሉ ቅድሚ ክልተ ወርሒ’ዩ ኣጋጢሙ፤ ኣነ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረን። ስድራይ ከመርዕውኒ ከም ዝወድኡ ምስ ሰማዕኩ ኣይከውንን ኢለዮም። ለሚነዮም፡ በኽየ . . . ግን ዋላ ሓደ ዝሰምዓኒ ኣይነበረን” ትብል። እናት፡ ኣብ ክልል ደቡብ ወረዳ ዳሰነች እያ ትነብር። እታ ወረዳ፡ ብሓያል ደርቂ ካብ ሞንጐ ዝተጠቕዑ ከባቢታት ሓንቲ ኰይና ነበርቲ ሓያል ድኽነት ኣጋጢምዎም ኣሎ። ወለዲ እናት፡ ሽዱሽተ ቈልዑ ዘለውዎም ኰይኖም፡ እናት በዅሪ ኵላቶም እያ። ደርቂ ቅድሚ ምምጽኡ ጽቡቕ መነባብሮ ከም ዝነበሮም ድማ ትዛረብ። “ኣቦይ ልዕሊ 100 ጥሪት ነይረናኦ። ግን ማይ ኰነ እተን ከብቲ ዝበልዓኦ ተሳኢኑ ሓደ ብሓደ ተወዲአን። ሽዑ’ዮም ንዓይ ሰብኣይ ክእልሹ ጀሚሮም፡” ትብል። ወሲኻ፡ “ቤተሰበይ ንዓይን ኣሕዋተይን ዘብልዑና ምስ ስኣኑ፡ ብዕጽፊ ምስ ዝዓብየኒ ሰብ ኣመርዕዮምኒ። ብውሑዳት ከብቲ ለዊጦምኒ፤ ነተን ከብቲ ሸይጦም ብዝረኸብዎ ገንዘብ ስርናይን እኽልን ገዚኦም፡” ኢላ። እዚ ታሪኽ፡ ፈንድ ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት [ዩኒሴፍ] ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ፡ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ብኣዝዩ ዘሰክፍ ናህሪ ይወስኽ ኣሎ ብምባል ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ዝተጠቕሰ’ዩ። ጠንቂ ናይዚ ድማ፡ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ድርቅን ግጭትን ከም ዝዀነ ዩኒሴፍ ይገልጽ። ሄልዝን ወልነስን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ዛዕባታት መርዓ ትሕቲ ዕድመ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ደቂ ኣንስትዮን ተዛመድቲ ጉዳያትን ዝሰርሕ ትካል እዩ። መስራትን ዋና ዳይሬክተርን ኣለሁበል ኣለማው፡ ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ መንግስቲ ምስ መጽአ ድሕሪ ዘጋጠሙ ዘይምርግጋኣት፡ መርዓ ትሕቲ ዕድመ እናወሰኸ ምምጽኡ ይዛረብ። “ቅድሚኡ፡ ሃይማኖታዊ ስርዓታት ምኽንያት ብምግባር እዩ ዝፍጸም ነይሩ። ሕጂ ግን እቲ ዝግበር ክትትል'ውን ስለ ዝፈዀሰ ብወግዒ መርዓ ክድገስ እንከሎ ንርኢ ኣለና፡” ኢሉ። ንኣብነት፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከባቢታት ሰቘጣን ጐንደርን ትምህርቲ ስለ ዘይተጀመረ ስድራቤታት ደቈም የመርዕው ከም ዘለው ዝገልጽ ኣቶ ኣለሁበል፡ እዚ ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይን ናብ ሰሜን ዝጽግዑ ከባቢታት ኣምሓራን ከም ዝወሰኸ ይጠቅስ። ኣብ ትግራይ፡ ወረዳታት ቆላ ተምቤን፡ ደጉዓ ተምቤን፡ ሕንጣሎ ዋጅራትን ራያ ዓዘቦን ብብዝሒ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ዝርኣየሎም ከባቢታት ከም ዝዀኑ፡ ካብቲ ክልል ዝተረኸበ መረዳእታ የመልክት። ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ገለ ከባቢታት ኦሮሚያ፡ ዓፋርን ሶማልን ከም ባህሊ ዝውሰድ ምዃኑ ብምግላጽ፡ “ስድራቤታት ሰኣን ሰላም ተስፋ እናቘረጹ ደቈም ኣብ ዘይዕድመአን የመርዕው ኣለው፡” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ደቂ ኣንስትዮ ብማእከላይ ዕድመ 17.1 ኰይነን ከም ዝመርዓዋ ሓበሬታ ዩኒሴፍ የመልክት። ኣብታ ሃገር፡ ኣብ 2025 መርዓ ትሕቲ ዕድመ ንምትራፍ ዝዓለሙ ስርሓት ክስርሑ'ኳ እንተጸንሑ፡ ሕጂ ብሰንኪ ባህሪያውን ሰብ ሰርሖን ሓደጋታት ምውሳኽ የርኢ ምህላው እዩ ዝግለጽ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጢ 40 ዓመታት ብምኽንያት ክሊማዊ ለውጢ ብዝሰዓበ ሓያል ደርቂ ተጠቒዑ ይርከብ። በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ኬንያ፡ ሶማሊያ፡ ጂቡትን ገለ ክፋል ኢትዮጵያን ዝርከቡ 14 ሚሊዮን ህዝቢ ንጥምየት ተቓሊዖም ኣለው። ኣብዞም ኣብ ኢትዮጵያ ብደርቂ ዝተጠቕዑ ከባቢታት ዝነብሩ፡ “ዝጨነቘም” ስድራቤታት፡ ካብ ስድራ መርዓዊ ዝረኽብዎ ገዝሚ ብህይወት ንምጽናሕ ክሕግዘና’ዩ ኢሎም ተስፋ ብምግባር፡ ዕድመአን ዘይኣኸለ ደቈም የመርዕው ኣለው። ንኣብነት፡ ኣብቶም ብደርቂ ዝተጠቕዑ ሽዱሽተ ከባቢታት ኦሮሚያ፡ ካብ መስከረም ክሳብ መጋቢት ኣብ ዘለው ሽዱሽተ ኣዋርሕ እዚ ዓመት፡ 2282 ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ ከም ዝተመርዓዋ ዩኒሴፍ ይገልጽ። እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ለካቲት ክሳብ ነሓሰ ምስ ዝተመዝገበ 672 እንክነጻጸር ኣዝዩ ዝለዓለ ኰይኑ ንረኽቦ። ኣብቲ 2.7 ሚሊዮን ህዝቢ ይነብረሉ ተባሂሉ ዝግመት ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ጥራይ፡ መጠን ትሕቲ ዕድመ መርዓ ብ51 ሚእታዊት ወሲኹ። እዚ፡ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 2022-21 ተመዝጊቡ ካብ ዝነበረ 70 ናብ 106 [ተመሳሳሊ ግዜ] ክብ ኢሉ ኣሎ። “መብዛሕትኡ ሕብረተሰብ መነባብሮኡ ኣብ ሕርሻ ዝተሞርኰሰ’ዩ። ደርቂ ምስ ኣተወ፡ እዚ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝዀነ ናብራ ናብ ዝኸፍአ ጸገም ክወድቕ እንከሎ፡ ዝሓሸ ምህርቲ ኣለዎ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ምስ ዝነብሩሉ ሰባት መርዓ ይፍጸም” ክብል ኣቶ ኣለሁበል የረድእ። ንሱ ካብ ተመኵሮኡ፡ ካብ 14 ክሳብ 17 ዕድመአን ዝዀና ኣዋልድ ከም ዝምርዓዋ ይዛረብ። “መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብዚ ዕድመአን ወርሓዊ ጽግያት ስለዝርእያ፡ ወለዲ ደቈም ካብ ሓዳር ወጻኢ ክወልዳ ይኽእላ እየን ወይ’ውን ባህሊ ከፍርሳ እየን ብዝብል ሓዳር ክገብራ ይደፋፍኡወን” ይብል። ኣብዚ ሸነኽ ታሪኽ ነባሪት ዞባ ደቡብ ጐንደር ዝዀነት ኣበባ ከነልዕል። ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ እቲ ለበዳ ንምዕጋት ዝተወስዱ ስጕምታት ኣብ ገዛኦም ኣብ ዝተወሸብሉ እዋን፡ ኣበባ ምስ ሓደ በዓል ጸጋ ዕድመ ክትምርዖ ወለዲ ወሲኖም። እቲ ሃብቲ ኣለዎ ዝተባህለ ውልቀሰብ ንስድራቤታ ብዝህቦም ገዝሚ ህይወቶም ንኽልወጥ፡ ንሳ ትምህርታ ኣቋሪጻ ምስ ዘይትፈልጦን ዘይመሰታኣን ሰብ ክትምርዖ ተፈሪድዋ። እንተዀነ፡ ነዚ ዝሰምዓ ኣብ ዙርያ ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ ዝሰርሓ ውዳበታት ብዝገበራኦ ጻዕሪ እቲ መርዓ ተሰሪዙ። ብ2012 ዓ.ም [ግዝእ]፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ጥራይ 1700 መርዓ ትሕቲ ዕድመ ከም ዝተፈጸመ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን እቲ ክልል ኣፍሊጡ ነይሩ። ኢትዮጵያ፡ ልክዕ ከምተን ካልኦት ሃገራት፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዘስዓቦ ቁጠባዊ ጸቕጢ ከም ዝተሃሰየት ዩኒሴፍ ይገልጽ። እዚ፡ ምስቲ ኣብዚ ዓመት ዝተኸሰተ ደርቅን በብቦታኡ ዝልዓሉ ዘለው ግጭታትን ተደሚሩ፡ ህጻናት ኣብ ዘይዕድመአን ንኽምርዓዋ ዓቢይ ተራ ከም ዘበርከተ ሓቢሩ። “ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ጥራይ ብደርቂ ኣብ ዝተጠቕዓ ክልላት ዘጋጥም መርዓ ትሕቲ ዕድመ ብኽልተ ዕጽፊ ወሲኹ” ይብል። ክልላት ሶማል፡ ኦሮሚያን ደቡብን ድሕሪ ዘጋጠሞም ደርቂ፡ ካብ ጥሪ ክሳብ ሚያዝያ 2022 ኣብ ዘሎ ግዜ ጥራይ ኣብተን ክልላት ዝፍጸም መርዓ ትሕቲ ዕድመ ብ119 ሚእታዊት ከም ዝወሰኸ መረዳእታታት መንግስቲ የመልክቱ። “እዚ ኣብ ኵለን ክልላት ዝርአ’ዩ” ዝበለት ኣብ ጉዳይ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮን መርዓ ትሕቲ ዕድመን እትሰርሕ ተሓላቒት ስርዓተ ጾታ ማርታ ታደሰ፡ ከም “ደርቅን ግጭትን ቁጠባዊ ጸገማት ስለዘኸትሉ፡ ገለ ስድራቤታት ከም ግዝያዊ [ኣሉታዊ] መፍትሒ ጸገም ገይሮም ዝወስድዎ፡ ዕድመአን ዘይኣኸለ ደቈም ምምርዓው’ዩ” ትብል። ካብ፡ ሰብ ሰርሖን ባህሪያውን ሓደጋታትን ስዒቦም ዝመጽኡ ጸገማት ብዝሰገረ፡ ባህሊ ናይ ገዛእ ርእሱ ጽልዋ ከም ዘለዎ ትጠቅስ። “ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣጥቧታ ምዕባይ ክጅምሩ እንከለው፡ ቁመታ ምስ ዝውስኽ፡ ቤተሰብ ‘ንቕውም ነገር በጺሓ’ ኢሉ ክሓስብ ይጅምር። መብዛሕትኡ ግዜ ክኣ ብዙሓት ቈልዑ ዘለዎም ስድራቤታት፡ ንዅሎም ከዕብይዎም ስለ ዝጽገሙ፡ ርእሰን ክኢለን ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻድ ኣብ ዝጅምራሉ ግዜ የመርዕውወን” ትብል። ኣብ ዩኒሴፍ ክኢላ ሓለዋ ህጻናት ወይዘሮ ዘምዘም ሽኩር’ውን በዚ ሓሳብ ትሰማማዕ። ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓሰርታት ዓመታት፡ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ብውሑድ ብሓደ ሲሶ ከም ዝነከየ ብምግላጽ፡ ብማእከላይ ገምግማ ደቂ ኣንስትዮ ሓዳር ዝገብራሉ ዕድመ፡ ካብ 16.5 ናብ 17.1 ሓፍ ከም ዝበለ ሓቢራ። ይዅን’ምበር፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብታ ሃገር ብዘጋጠሙ ዝተፈላለዩ ጸገማት ምኽንያት መርዓ ትሕቲ ዕድመ ብዝለዓለ መጠን ከም ዝወሰኸ ኣረዲኣ። “ሓደ፡ እዚ ጉዳይ እቲ ሕብረተሰብ ንነዊሕ ዓመታት ሒዝዎ ዝጸንሐ ልምዲ’ዩ። ብኣተሓሳስባ እናተለወጠ እንተመጽአ’ውን ነዊሕ ግዜ ዝሓትት’ዩ። ብተወሳኺ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጐንጺ ወሲኽካ ዝተፈላለዩ ነገራት ስለ ዘለው፡ ትኹረት መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን ትካላትን ተቐይሩ። ስርሓት ህይወት ኣድሕን ቀዳምነት ዝወሃቦም ኰይኖም፡” ኢላ። በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ጉዳይ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ግንዛበ ንምዕባይ ብሚዲያታት ዝግበሩ ዝነበሩ ጐስጓሳት፣ መናእሰይ ዝሰርሕዎም ስርሓትን ካልኦትን ክተኣጓጐሉ ክኢሎም። ኣብ ልዕሊ ኣዋልድ ዝፍጸም ትሕቲ ዕድመ መርዓ ክህሉ እንከሎ፡ ደቂ ተባዕትዮ እውን ኣብ ዘይዕድመኦም ሓዳር ክምስርቱ ከም ዝግበር ዝዛረብ ኣቶ ኣለሁበል፡ ብፍላይ ካብ 14 ክሳብ 21 ዓመት ዝርከቡ ደቂ ተባዕትዮ ነዚ ተቓላዕቲ ከም ዝዀኑ የረድእ። “ወዲ ተባዕታይ፡ ‘ሓዳር እንተገይሩ ንሰበይቱ ራሕሪሑ ኣይከይድን፣ ንሰበይቱ ክብል ስራሕ ክሰርሕ’ዩ፣ ንቤተሰቡ’ውን ክሕግዝ’ዩ’ ኢሎም ስለ ዝሓስቡ የመርዕውዎ። በቲ ባህሊ መሰረት ክኣ ወዲ ብዕድመ እትንእሶ ከእቱ ስለ ዘለዎ፡ ንእሽቶ ቈልዓ ይምርዖ” ይብል። ኣብታ ሃገር ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራይ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ብምውሳኹ፡ ቍጽሪ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ዝቦኸራ ደቂ ኣንስትዮ ብሰለስተ ዕጽፊ ከም ዝወሰኸ መረዳእታ ዩኒሴፍ የመልክት። ዕጫ ጓል 13 ዓመት እናት’ውን እዚ’ዩ ኰይኑ። “[በዓልቤተይ] ትምህርተይ ክቕጽል ፍቓደኛ ስለ ዘይኰነ ኣቋሪጸዮ። ትምህርቲ ይፈቱ’የ፤ ሓኪም ክኸውን’የ ዝደሊ። ሕጂ ግን ጸብሒ እናሰራሕኩ፣ ገዛ እናጽረኹ፣ ማይ እናወረድኩ’የ ዝውዕል” ትብል። ተሓላቒት መሰላት ስርዓተ ጾታ ማርታ ታደሰ፡ ዕድሚአን ዘይኣኸለ ደቂ ኣንስትዮ ምምርዓው ካብ ትምህርቲ ምብኳር ጥራይ ዘይኰነ፡ ብመዳይ ጥዕና እንክርአ'ውን ንፌስቱላን ኣብ እዋን ወሊድ ከጋጥም ንዝኽእል ሞትን ከቃልዐን ከም ዝኽእል ትዛረብ። “እታ ቈልዓ ‘ስድራይ ስለዝተጸገሙ’ዮም ኣመርዕዮምኒ’ ኢላ ስለ እትሓስብ ኣብ ገዛኣ ዘቤታዊ ዓመጽ ከጋጥማ እንከሎ’ውን ደፊራ ክትዛረብ ኣይትኽእልን። እንተ ተዛረበት’ውን፡ ቤተሰብ ‘ኣማራጺ የብልክን፤ ክኣልዮ’ እዮም ዝብሉዋ”። ዩኒሴፍን ካልኦት ብርክት ዝበሉ መንግስታዊ ዘይኰኑ ትካላትን ነዚ ጉዳይ ዓቢይ ትዅረት ሂቦም ጻዕሪ ብምግባር፡ ግንዛበ ሕብረተሰብ ምዕባይ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ብተደጋጋሚ ይገልጹ። “ሰፋሕቲ ስርሓት ምዕባይ ግንዛበ እንተሰራሕና’ውን ንዅሉ ስድራቤት ክንበጽሖ ኣይንኽእልን። ንዅሉ ምእማን ግዜ ይሓትት’ዩ” ትብል በዓልቲ ሞያ ዩኒሴፍ ዘምዘም። ኣብ ኢትዮጵያ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ኣብ ልዕሊ ዝፍጽሙ ኣካላት ብገበን ዝሕተቱ’ኳ እንተዀኑ፡ እቲ ሕጊ ክንደይ ዝኣክል ተግባራዊ ኰይኑ? እቶም ዝውሰዱ ስጕምታትከ ክሳብ ክንደይ ውጽኢታውያን’ዮም? ዝብሉ ሕቶታት ከም ዘለውዋ እትዛረብ ማርታ ብወገና፡ እቲ ጉዳይ ልዑል ትዅረት መንግስቲ ዝሓትት ከም ዝዀነ ተዘኻኽር። “መብዛሕትኦም ጉዳያት ትሕቲ ዕድመ ብሽምግልና፡ ብይቕረታ፡ ብቤተክርስቲያን’ዮም ዝፍትሑ። ከምዚኦም ዝበሉ ክፍተታት ስለዘለው እዩ ዘላቒ ዝዀነ ለውጢ ክመጽእ ዘይከኣለ፡” ኢላ።","category":"ደርቂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/czdg083kzl5o"} {"headline":"ቅድሚ 113 ሚልዮን ዓመታት ዝነበረ ኣሰር ዳይኖሶር ብሓያል ደርቂ ተቓሊዑ","content":"ኣብ ማእከላይ ቴክሳስ ዝርከብ መጠን ወሓዚ ማይ ምስ ነጸፈ፡ ቅድሚ 113 ሚልዮን ዓመት ናይ ዝነበሩ ዳይኖሶራት ኣሰረ ተቓሊዑ። እቲ ኣሰር 'ኣክሮሃኖሳውሮስ' ዝበሃል ዓቢይ ዳይናሶር፡ ብማይ ተሸፊኑ ስለዝነበረ ድሕሪ 2000 ዓ.ም ከይተርኣየ እዩ ጸኒሑ። ሕጂ እቲ ወሓይዝ ክነጽፍ ምስ ጀመረ ግን ኣሰር ናይቶም ኣብ ዓለምና ዝዓበየ ግዝፊ ዝነበሮም ደርማስ ዳይናሶር ክረአ ጀሚሩ። እቲ ኣብ ቴክሳስ ኣብ ዝርከብ ሰናጭሮ ፓርክ ዝተረኽበ ኣሰር ዳይኖሶራት ካብቲ ኣብ ዓለምና ተዓቂቡ ዘሎ ዝበለጸ ታሪኻዊ ጥንታዊ ባህሪያዊ ቅርሲ ምዃኑ ሓለቓ ስታፍ ፓርክ ጀፍ ዴቪስ ሓቢሩ ። ክኢላታት ደርቅን ዝናብን ኣሜሪካ ዳርጋ መላእ ቴክሳስ ደርቂ ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ይሕብሩ። ዝሓለፈ ሰሙን፡ ልዕሊ 87 ሚእታዊት ካብ ክፍለ-ሃገር እታ ግዝኣት፡ ሓደ ካብቶም ሰለስተ ብኸቢድ ዝግለጹ ዓይነት ደርቂታት ኣጋጢሙዋ ኣሎ። ኣብዚ ሓጋይ’ዚ ብዝነበረ ውዑይ ኵነታት ኣየር፡ ኣብ ማእከላይ ፓርክ ቴክሳስ ዝርከብ ሩባ ዳርጋ ብምሉኡ ከምዝነቐጸ እቲ ምልክታት የነጽር። ስለዝዀነ ከኣ እዩ እቲ ንዘበናት ተራእዩ ዘይፈልጥ ብወሓዚ ማይ ተሸፊኑ ዝነበረ ኣብ ኣኻውሕ ሩባታት ዝተረፈ ኣሰር ዳይናሶር ዝተቓልዐ። ዴቪስ ዝተባህለ ሓደ ካብቶም ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ፡ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን እተቓልዐ \"ሎን ራንገር ትራክወይ\" ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ን100 ጫማ ዝዝርጋሕ ኣሰራት፡ ናይ ሓደ ኣክሮንቶሳውሩስ እተባህለ ዳይናሶር ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ ። ካብቲ ኣብቲ ፓርክ ዝህሉ ኣስታት 140 ኣቢሉ ዝበጽሕ ኣሰራት ናይቲ ዳይናሶር ክሳብ ሕጂ ስሳ ኣቢሉ ድሙቕ ኣሰር ተረኺቡ ምህላው ንቢቢሲ ሓቢሩ። እቲ ኣክሮንቶሳውሩስ ዝበሃል ዓይነት ዳይናሶር ቍመቱ ኣስታት 5 ሜትሮ ክብደቱ ከኣ ኣስታት 70 ኩንታል ከምዝነበረ ሚስተር ደቪስ ይገልጽ። እዞም ዳይናሶራት ነቶም ሳርፖሲዶን ዝተባህሉ ጅር ዓሳታት ሃዲኖም ይምገቡዎም ከምዝነበሩ መጽናዕታት የረድኡ። እቶም ግዳይ ዝዀኑ ሳሮፖሲዶን ዝተባህሉ 60 ሜተር ዝቝመቶም ምስ ዓበዩ ኣስታት 44 ቶን ዝምዘኑ ዓይነት ዓሳታት ኣብ ካልእ መናፈሻ እታ ሃገር እዮም ተረኺቦም። ሕሉፍ ክቱር ኵነታት ኣየር ካልእ ዘገርም ነገራት እውን የስዕብ እዩ። ኣብቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝዓበየ ቀላይ “ሚዳድ”፡ መጠን ማይ እናጐደለ ምስ ከደ፡ ሬሳ ሰብ ተረኺቡ’ዩ። ኣብ ኤውሮጳ እውን መጠን ፍሰት ማይ ወሓይዝ ምስ ነከየ፡ “ኣእማን ደርቂ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ድርቂ ተቐልቂሉ ዝነበረ ኣኻውሕ ተራእዩ። እቲ ኣእማን ደርቂ ዘሻቕል ኵነታት ይስዕብ ከምዘሎ ዘመልክት ተርእዮ ምዃኑ ሊቃውንቲ ይዛረቡ። ኢንዱስትርያዊ ዘመን ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ክዓርግ ዝጀመረ መጠን ምቘት ምድሪ፡ ሓደገኛ ተርእዮ ደርቅን ምቅይያር ክሊማን ከኸትል ከምዝኽእል ሊቃውንቲ ዓለም የጠንቅቑ ኣለው።","category":"ደርቂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cqege64p30zo"} {"headline":"ሰማዒ ዝደሊ፡ ሚልዮናት ንሓደጋ ጥሜት ዘቃልዐ ኵነታት ድርቂ ኢትዮጵያ","content":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ጉጂ ወረዳ ሰባ ቡሩ፡ ብሰንኪ’ቲ ነዊሕ ዝቐጸለ ሓደጋ ድርቂ 21 ሰባት ከምዝሞቱ ኣቶ መኮና ሄጦሳ፡ ሓላፊ መንግስታዊ ትካል ምክልኻል ሓደጋ ‘ቡሳ ጐኖፋ’ ንቢቢሲ ገሊጹ። ኣብቲ ወረዳ ካብ ዝርከቡ ቀበሌታት፡ \"ብዘለኒ መረዳእታ፡ ዝበኣሰ ድርቂ ይመጽእ ኣሎ\" ዝብል እቲ ሓላፊ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓንቲ ኣደ ንውላዳ ጡብ እናጥበወት እንከላ ሂወታ ከምዝሓለፈ ይጠቅስ። \"ድሬ ሰንባሳ ኣብ ትበሃል ቀበሌ ትነብር ሓንቲ ኣደ፡ ንመዓልታት ንደቃ ዝኸውን ምግቢ ስኢና፡ ዝረኸበቶ ዅሉ ንደቃ ሂባ ግንብው ኢላ ኣብ ዝደቀሰትሉ ሂወታ ሓሊፋ። ንግሆ ውላዳ ጡብ ምውትቲ ወላዲቱ እናጠበወ'ዩ ተረኺቡ፡\" ይብል። ኣብቲ ወረዳ፡ ካብቶም ብሰንኪ ድርቂ ሂወቶም ዝሰኣኑ እቶም ዝበዝሑ ህጻናት ከምዝዀኑ ኣቶ መኮና ወሲኹ የረድእ። “መብዛሕትኦም ህጻናት እዮም፣ ሓደ ርእሰ ቕትለት ዝፈጸመ ኣቦ ስድራ’ውን ኣሎ። ‘ኣነ እናሃለኹ ደቀይ ካብ ዝሞቱ፡ ብዝብል ‘መስለኒ ነብሱ ኣጥፊኡ፡” ይብል። ኣብቲ ከባቢ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ምንቅስቓስ ስለዝገብር፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ከቢድ ከምዝዀነ የረድእ። ኣብ ንጥፈታት ረድኤት ተዋፊሮም ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ዘይመንግስታውያን ትካላት ካብቲ ከባቢ ምውጽኦም'ውን ነቲ ጸገም ከምዘጋደዶ ብምሕባር፡ “ብቕልጡፍ ፍታሕ እንተ ዘይተረኺቡ ጥሜት ብዙሕ ሰብ ክውድእ ከምዝኽእል” የጠንቅቕ። ኣብ ኣርብዓ ዓመታት ተራእዩ ኣይፈልጥን ዝተባህለ ድርቂ፡ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ሚልዮናት ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኤት ንክዀኑ ኣቃሊዕዎም ኣሎ። እቲ ድርቂ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝርከባ 10 ዞናት፡ 3.7 ሚልዮን ሰባት ንሓደጋ  ኣቃሊዑ’ሎ፡ ይብል፡ ሓላፊ ቡሳ ጐኖፋ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ሙስጦፋ ከድር፡ ብወገኑ። ኣቶ ሙስጦፋ፡ ካብ ካልኦት ሓለፍቲ ወረዳታት እቲ ዞን ብዝተፈለየ ግን፡ “ብጥሜት ዝሞተ ሰብ የለን” እዩ ዝብል። “ኣብዚ እዋን ብዘሎ ኵነታት፡ ጥሜት ተባሂሉ ክእወጅ ዝኽእል ኣይኰነን። ኣብ ኦሮሚያ ብጥሜት ዝሞተ የለን። ኣብ ሰባ ቦሩ እናጥበወት ሞይታ ዝተረኸበት ኣደ ከም ዘላ ሓቂ እዩ። እንተዀነ ብጥሜት ከምዝሞተት ዝሕብር መረዳእታ ኣይተረኸበን። ኣብ ገዛኣ እኽሊ ነይሩ እዩ፣ ጠንቂ ሞታ ይጻረ’ሎ፡” ይብል። ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ መጀመርታ እቲ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ክሳብ ሚያዝያ ኣብ ዝነበረ ግዜ 7. 2 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ረድኤት ምግቢ ከምዘድልዮም ገሊጹ’ዩ። እቲ ትካል፡ ኣብ ኢትዮጵያ 5.7 ሚልዮን ሰባት ብድርቂ ከምዝተጐድኡ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ኣመልኪቱ ነይሩ። ካብቲ እዋን’ቲ ድማ ተወሳኺ 1.5 ሚልዮን ሰባት ብድርቂ ተጐዲኦም ኣለው ማለት እዩ። ሓለፍቲ ክልል ኦሮሚያ ከም ዝገልጽዎ፡ ኣብቲ ክልል 3. 7 ሚልዮን ሰባት ብድርቂ ተጐዲኦም ኣለው። ኣብዚ ቀረባ እዋን ‘ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ተራእዩ ኣይፈልጥን’ ዝተባህለ ድርቂ ኣብ ደቡብን ደቡባዊ ምብራቕን እታ ሃገር ንኣርባሕቲ ከብቲ የጥቅዕ ከምዘሎ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣፍሊጡ'ዩ። ብኻልእ ወገን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ደቡብ፡ ዞን ኮንሶ ብሰንኪ ስእነት ምግቢ 13 ህጻናት ከምዝሞቱ ሰብመዚ እቲ ክልል ንቢቢሲ ሓቢሮም ምንባሮም ይዝከር። ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ዞባ ዋግ ኽምራ'ውን፡ ብተመሳሳሊ ድርቂ ዘስዓቦ ጸገም ሰባት ንሓደጋ ከምዝተቓልዑ መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ሓቢረን። ነዚ እናዛየደ ዝኸይድ ዘሎ ቍጽሪ ግዳያት ንምብዳህን፡ ንጽጕማት ንምርዳእን ሕጽረት ገንዘብ ከም ዘጋጠሞ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ይገልጽ። እቲ ትካል፡ ኣብዚ እዋን ን7.2 ሚልዮን ሰባት ግቡእ ሓገዝ ንምቕራብ ምእንቲ ኽከኣል፡ 343 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልዮ ኣፍሊጡ። ዓለምለኸ ትካላት ኣብ ኢትዮጵያ ሕሱም ድርቂ ክኽሰት ከምዝኽእል ኣቐዲሞም’ኳ እንተፍለጡ፡ ኣብ ሰሜንን ደቡብን ኣብ ኲናት ተጸሚዱ ዝርከብ መንግስቲ ‘ታ ሃገር ግን ነዚ ንምምካት ድሉው ኣይመስልን። ኣብ ሰሜን ኢትዮጲያ ንዘሎ ኲናት ስዒቡ፡ መንግስቲ ጥሜት ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀም ኣሎ’ ዝብሉ ነቐፌታታት ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ክቐርቡ ጸኒሖም እዮም። መንግስቲ ግን ነዚ ወቐሳ ብትሪ ከም ዝዅንን ብተደጋጋሚ ገሊጹ እዩ። ብሰንኪ ኲናት ንሓደጋ ዝተቓልዑ ዜጋታት ሓዊሱ ብሰንኪ ሕጽረት ዝናብ ብዝተኸሰተ ድርቂ፡ ሚልዮናት ተጸበይቲ ረድኤት ኰይኖም ኣለው። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘጋጠመ ኵነታት ዝተዓዘቡ፡ እዚ ጉዳይ ንፖለቲካዊ ዕላማ የገልግል ከም ዘሎ ይወቕሱ። ንላዕለዎት ሰብ መዚ ኦሮሚያ ብምንቃፍ ዝፍለጥ ምክትል ሚኒስተር ሰላም ታየ ደንደኣ፡ ኣብ ዞባ ጕጂ ወረዳ ሊበን ብሰንኪ ጥሜት ሞይቶም ናይ ዝበሎም ሰባት ዝርዝር ኣስማት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዘርጊሑ እዩ። \"ህዝብና ኣብ ዝኸፍአ ሽግር እዩ ዘሎ። እቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ ድማ ሽግር ህዝብና ምሕባእና'ዩ፣  ኣብ ክልል ኦሮሚያ ክንደይ ሰብ ብሰንኪ ድርቂ ከምዝተመዛበለ ኣይፍለጥን” ክብል ጽሒፉ። ኣቶ ታየ ነዚ ሓበሬታ ምስ ለጠፈ፡ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት፡ ተሌቬዥን እቲ ክልል [ኦቢኤን] እቲ ሚኒስቴር ናብ ዝጠቐሶ ከባቢ ብምኻድ፡ 'ብጥሜት ዝሞተ የለን' ዝብል ጸብጻብ ዘርጊሓ። እታ ተሌቬዥን፡ ንኣመሓዳሪ ዞን ጕጂ ኣቶ ታደለ ኡዶ ጠቒሳ፡ እቶም ብጥሜት ሞይቶም ዝተበሃሉ ሰባት፡ ገሊኦም ብኻልእ ምኽንያት፡ ገሊኦም ድማ ብሂወት ዘለዉ ሰባት እዮም ኢላ። ሓላፊ ቡሳ ጐኖፋ ኦሮሚያ ኣቶ ሙስጠፋ ከድር ብወገኑ፡ \"ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣይሓባእናን፡ ሕጂ’ውን ንሓብኦ የለን። እዚ ጕዳይ ኮነ ኢሎም ንፖለቲካዊ ረብሓኦም ዝጥቀምሉ ሰባት ኣለዉ። ዝሞተ ሰብ የለን፣ ኵነታት እቲ ድርቂ ልዕሊ ዓቕሚ መንግስቲ ኣይኰነን\" ድሕሪ ብምባል፤ ልዕሊ እቲ ሕጂ ዘሎ መጠን ጕድኣት ኣብ መስከረምን ጥቅምትን ከቢድ ሓደጋ ከስዕብ ከም ዝኽእል ግን ኣመልኪቱ። እንተዀነ፡ ጸብጻብ ዝተፈላለያ ዘይመንግስታውያን ትካላት ከም ዘመልክቶ፡ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኰነትስ፡ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ሓደጋ ደርቅን ጥሜትን ኣንጸላልይዎ’ሎ። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ ናህሪ ዋጋ ምግብን ድርቅን ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ንጥሜት ክቃልዑ ከምዝኽእሉ ይገልጽ። ከም ሓበሬታ እቲ ትካል፡ ኣብ ሶማልያ፡ ኬንያን ኢትዮጵያን ብሕርሻን ምርባሕ ከብትን ዝናበሩ ሚልዮናት ሰባት ሓደጋ ድርቂ ኣንጸላልይዎም ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ሚልዮናት ተጸበይቲ ረድኤት ምግቢ ንክዀኑ ዘገደደ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ጥራሕ ኣይኰነን። እቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝለሓመ ደማዊ ኲናት፡ ሚልዮናት ዜጋታት ኣመዛቢሉን ተጸበይቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ንክዀኑን ምኽንያት ኰይኑ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ኣብ ክልላት ቤንሻንጕል ጉሙዝ፡ ኦሮሚያን ደቡብን ብዝተፈጥሩ ግጭታት፡ ዕንወት መሰረታዊ ትሕተቕርጺ ስለዘጋጠመ፡ ትካላት ረዲኤት ዝድለ ሓገዝ ንምብጻሕ ከም ዝተጸገማ ክገልጻ ጸኒሐን እየን። ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝመልክቶ፡ ብተፈጥሮኣውን ሰብ ሰርሖን ምኽንያታት ኣስታት 20 ሚልዮን ሰባት ረድኤት የድልዮም። ዋና ዳይረክተር ፔልም ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኃይለ ኣርኣያ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድርቂ ናይ ምጽዋር ዓቕሙ ድኹም ከምዝዀነን ብምጥቃስ፡ ብሰንኪ ዝተፈላለየ ምኽንያታት ብህዝቢ ይዅን መንግስቲ ዝተገበረ ቅድመ ምድላው ከምዘየለን የረድእ። ዶ\/ር ሃይለ፡ እቲ ብደረጃ ዓለም ዝተራእየ ወሰኽ ዋጋ ምግብታትን ቍጠባዊ ጸገማትን’ውን ተወሳኺ ጽልዋ ከምዝፈጠረ ይዛረብ። \"እቲ ህዝቢ ዓቕሚ ተጻዋርነቱ ድዅም'ዩ ማለት፡ እቲ ሕብረተሰብ ዘፍርዮን ዘዋህልሎን ፍርያት ንእሽተይ'ዩ ማለት እዩ። ኣብ ኣተሓሕዛ ፍርያት እውን ጸገም ይርአ እዩ።  መንግስቲ ኸኣ ነዚ ንምሽፋን ዓቕሙ ድሩት'ዩ። እቲ ሕብረተሰብ'ውን ተጸባይ ዝናብ ክረምቲ'ዩ። መንግስትን ምሁራትን ብወገኖም'ውን ነዚ ንምምካት ዘኽእል ስራሕ ኣይሰርሑን\" ይብል። እቲ ዳይረክተር ወሲኹ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይምርግጋእ፡ ረድኤት ናብ ዘድልዮም ከባቢታት ብዘይዝዀነ መሰናኽን ንምብጻሕ ብድሆ ከምዝዀነ ይገልጽ። እቲ በዓል ሞያ ከም ዝብሎ፡ መንግስቲ ከምቲ ንሰፋሕቲ ሕርሻታት ዝህቦ ትዅረት ንንኣሽቱ ሕርሻታት’ውን ከድህብ ኣለዎ። “ሓረስታይ ንዕዳጋ ዝኸውን ምህርቲ ከፍሪ ኣይክእልን እዩ፡ ዝበሃል ዘረባ፡ እቲ ሓረስታይ ውሕስነት ዕዳጋ ከም ዝስእን ዝገብር እዩ፤ ከም ሳዕቤኑ፡ ድርቂ ክኽሰትን ሓረስታይ ንሽግር ከም ዝቃላዕን ይገብር፡” ክብል የብርህ። ዶ\/ር ሃይለ ኣተሓሒዙ፡ ብድርቂ ንዝተጠቕዑ ከባቢታን ንምብጻሕ ኣሸጋሪ ምዃን፡ ውሕስነት ድሕነት ጽርግያታት ዘይምህላው፡ መርበብ ምትእስሳር ዕዳጋታት ክፍጠር ዘይምኽኣሉን፡ ቍጽሪ ንሓደጋ ዝተቓልዐ ሕብረተሰብን ሞት እንሳታትን ክውስኽ ጠንቂ ከም ዝዀነ የብርህ። እቲ በዓል ሞያ፡ ንሓረስቶትን ኣርባሕቲ ከብትን ዝኸውን ፕሮጀክት ክንደፍ፡ ከዘንቲ ትሕጃ ማያት ክህልው ይግባእ፡ ብምባል መፍትሒ ሓሳብ የቐምጥ። ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕን ኢትዮጵያ ግን፡ ነቲ 'መንግስቲ ድርቂ ንምብዳህ እዅል ምድላው ኣይገበረን' ዝብል ነቐፌታ ይነጽግ። መንግስቲ ብድርቂ ናብ ዝተጐድኡ ከባቢታት ረድኤት የቕርብ ከምዘሎ ድማ ይሕብር። እቲ ኮሚሽን ትሽዓተ ዞናት ክልል ሶማል ብድርቂ ከም ዝተጐድኣን ብሰንኩ ጥሪት ከምዝሞታን ይገልጽ። ብተመሳሳሊ፡ ክልል ደቡብን ኦሮሚያን ብድርቂ ከምዝተጐድኣ ብምእማን፡ መንግስቲ ኣድላይ ረድኤት የቕርብ ከምዘሎ ይሕብር። ዳይረክተር ህዝባዊ ርክባት እቲ ኮሚሽን ደበበ ዘውዴ፡ ኣብ ሰለስቲአን ክልላት ካብ 2013 ክሳብ 2014 [ግእዝ] ዜጋታት፡ ረዲኤት ገንዘብን ምግብን ከምዝተገበረሎም ይዛረብ። ኣብ ኦሮሚያ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት 3.2 ሚልዮን ከምዝበጽሐን፡ ካብዚኦም ንዝተወሰኑ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኩንታል ሓገዝ ምግቢን ከምዝተዓደለን ካብ ባንክ ዓለም ዝተረኸበ 900 ሚልዮን ብር ከምዝተኸፋፈለን ሓቢሩ። ኣብ ክልል ሶማል ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኩንታል፣ ኣብ ክልል ደቡብ 39 ሽሕ ኩንታል ረድኤት ከምዝተዋህበን፡ ክሳብ ግንቦት ኣብ ዘሎ ድማ 498 ሚልዮን ብር ሓገዝ ከምዝተገብረ ተዛሪቡ። “መንግስቲ ስለዝተዳለወ’ዩ እዚ ሓገዝ'ዚ ዝገብር ዘሎ። እዚ ድርቂ ብሰንኪ ሕጽረት ዝናብ ዝተኸስተ እዩ፤ ክሊማዊ ለውጢ ዘስዓቦ እዩ። እንተዀነ ነቲ ጽቕጢ ንምብዳህ ሓያል ጻዕሪ ገይርና ኢና። እቲ ሓገዝ እዅል ከይኸውን ይኽእል’ዩ፡ ግን መንግስቲ ረድኤት ኣብ ዘድልየሉ ኵሉ ሓገዝ ይገብር ኣሎ” ኢሉ። እቲ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ብሰንኪ ድርቂ ዝሞቱ ሰባት ኣለዉ'ዶ ንዝብል ሕቶ ግን ምላሽ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ።","category":"ደርቂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c28g13de70go"} {"headline":"ድርቅን ሙቐትን 2022 ስለምንታይ'ዩ ኣሰካፊ ኰይኑ?","content":"ዓለም ኣብዚ ዓመት’ዚ ካብቶም ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ዘጋጠሙ ሓደጋታት ድርቂ ዝበኣሰ የጋጥማ ኣሎ። ኣብ ገለ ድማ ኣዝዩ ዝለዓለ ኰይኑ ይምዝገብ ከምዘሎ ተመራመርቲ የጠንቍቑ። ብቕልጡፍ ዝጅምር \"በርቃዊ\" ድርቂ'ውን ብብዝሒ ይርአ ኣሎ። “እዚ ዓመት ነቲ ንሰሜን ኣሜሪካ፡ ኤውሮጳ፡ ማእከላይ ባሕርን ቻይናን ብማዕረ ዝጸሉ ዘሎ ዝለዓለ ወይ ኣዝዩ ዝለዓለ ውዑይ ድርቂ ሓዊሱ፡ ኣብ መላእ ሰሜናዊ ንፍቀ-ክቢ (‘ሄሚስፈር’) ኣዝዩ ዝጐልሐ ድርቂ ዝተረኣየሉ ዓመት'ዩ\" ይብል ላዕለዋይ ሳይንቲስት ናሳን ተመራማሪ ድርቅን ቤንጃሚን ኩክ። ብፍላይ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ደቡብ ኣሜሪካን ሓያሎ ዞባታት ኤስያን ገለ ክፋላት ኣውስትራልያን ሓዊሱ ካልኦት ዞባታት’ውን ብኸቢድ ከምዝተሃስየ ክኢላታት ይገልጹ። ካብቶም ኣዝዮም ዝተሃስዩ እቲ ኣብ ኣርባዕተ ተኸታተልቲ ወቕትታት ዝናብ ዋሕዲ ማይ ዘጋጠመሉ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኰይኑ፡ ወሃቢ ቓል በይነ-መንግስታዊ ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ (ኢጋድ) ኑር መሓመድ ሸኽ፡ \"ኣብ ውሽጢ 40 ዓመታት እቲ ዝኸፍአ ድርቂ\" ክብል ይገልጾ። እዚ ድማ ኣብ ውሕስነት መግቢ ኣስታት 50 ሚልዮን ሰባት ጽልዋ የሕድር ከምዘሎ ይዛረብ። ኣፍሪቃ ካብ ዝዀነት ኣህጕር ንላዕሊ ብተደጋጋሚ ብድርቂ ከምዝተሃሰየት፡ ውዕል ምክልኻል ምድረበዳነት ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኦ ጸብጻብ የመልክት። ኣብ መንጎ ካብ 2000 ክሳብ 2019 ዝነበረ ዓመታት ኣብታ ኣህጉር ካብ ዘጋጠሙ 134 ሓደጋታት ድርቂ፡ እቶም 70 ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከምዝተኸሰቱ ይሕብር። ቻይና እውን ብርቱዕ ሙቐት ነቲ ኣብ ዓለም ሳልሳይ ዝነውሐ ሩባ ያንግዘ ሓዊሱ፡ ንገለ ሩባታታ ከም ዝደርቁ ብምግባሩ፡ ኣብዚ ዓመት ህጹጽ እዋን ሓደጋ ድርቂ ኣዊጃ ኣላ። ኣብ ግዝኣት ሲቹዋን ዝርከብ ማያዊ መመንጨዊ ጸዓት ናይ ምፍራይ ዓቕሙ ብዝለዓለ መጠን ምንካዩ፡ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክቈራረጽ ምኽንያት ኰይኑ’ሎ። ኣብ ገለ መስመራት ማይ ድማ ምንቅስቓስ መራኽብ ከምዝተቛረጸን ኣብ ሽዱሽተ ኣውራጃታት ዝርከብ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሄክታር ሕርሻዊ መሬት ከምዝተሃስየን ሰበስልጣን ይገልጹ። ኣብ ምዕራብ ኤውሮጳ ክብረወሰን ትሑት መጠን ዝናብ ከም ዝተሰብረ፡ ኣገልግሎት ምክትታል ሃዋህው ኮፐርኒከስ ክገልጽ እንከሎ፡ ከም ኣፍጋኒስታንን ኢራንን ዝኣመሰላ ሃገራት ማእከላይ ኤስያ ድማ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ከቢድ ኵነታት ድርቂ ከጋጥመን ጸኒሑ’ዩ። ኣብ ደቡባዊ ንፍቀ-ክቢ ድማ ደቡብ ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብኸቢድ ተሃስያ። ኵነታት ድርቂ፡ ካብ 2020 ክሳብ 2021 ኣብ ዝነበረ እዋን ንናይ እኽሊ እቶት ብኣስታት 3 ሚእታዊት ክንኪ ክገብር እንከሎ፡ ማእከላይ ቺለ ድማ ን13 ዓመታት \"ኣዝዩ ሕሱም-ድርቂ\" ክትጻወር ጸኒሓ። እዚ ድማ ኣብቲ ዞባ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሽሕ ዓመት ካብ ዘጋጠመ ደርቂ እቲ ዝነውሐ ምዃኑ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት። \"ብተወሳኺ፡ ኣብ ተፋሰስ ፓራና-ላ ፕላታ ንብዙሕ ዓመታት ዘጋጠመ ድርቂ፡ ድሕሪ 1944 ዝኸፍአ ኰይኑ፡ ንማእከላይ-ደቡባዊ ብራዚልን ንገለ ክፋል ፓራጓይን ቦሊቭያን ይጸልዩ ኣሎ\" ይብል እቲ ጸብጻብ። ኣብ ሕሉፍ እዋናት፡ ድርቂ ንኽምዕብል ብተለምዶ ሓያሎ ወቕትታት ወይ ዓመታት ዝወስድ'ኳ እንተነበረ፡ ሎሚ ግን ኣብ ብዙሕ ቦታታት እዚ ይቕየር ከምዘሎ ተመራመርቲ ይዛረቡ። ትሑት ዝናብን ብርቱዕ ሙቐትን ተደሚሮም ኣብዚ ሓጋይ ኣብ ገለ ከባቢታት ሰሜናዊ ንፍቀ-ክቢ ከም ዝተራእየ ዓይነት ቅልጡፍ ምጅማር ድርቂ የስዕብ ኣሎ። \"እቲ ሕጂ ንርእዮ ዘለና 'በርቃዊ’ ድርቂ እንብሎ'ዩ\" ይብል ኣብ ሃገራዊ ምምሕዳር ውቅያኖሳትን ህዋን ኣሜሪካ ላዕለዋይ ሳይንቲስት ሮጀር ፑልዋርቲ። ንሱ ወሲኹ፡ \"እዚኦም [በርቃዊ ዓይነታት ድርቂ] ካብ ሓደ ክሳብ ሰለስተ ወርሒ ጥራይ ክጸንሑ ይኽእሉ እዮም፤ ግን ኣብቲ ኣእካል ዝበዝሑሉ ወቕቲ እንተ ኣጋጢሞም፡ ወይ ሓደጋታት ባርዕ በረኻ እንተተኸሲቶም ውጽኢቱ ኣዝዩ ኣዕናዊ ይኸውን\" ክብል የረድእ። እቶም ንበርቃዊ (ብቕልጡፍ ዝኽሰት) ድርቂ ዝቃልዑ ውዑያት ቦታታት ኣብ ብራዚል፡ ሳሕል፡ ዓቢ ሪፍት ቫሊ፡ ህንዲ፡ ማእከላይ ኣሜሪካ፡ ደቡባዊ ምዕራብ ሩስያን ሰሜናዊ ምብራቕ ቻይናን ከምዝርከቡ እቲ ተመራማሪ ይዛረብ። ክዛዘም ኣርባዕተ ኣዋርሕ ተሪፍዎ  ዘሎ ዓመተ 2022፡ ካብቲ ኣብ 2012 ዝተመዝገበን ኣብ ናይ ቀረባ ታሪኽ ዝሓሰመ ዝበሃልን “ዝኸፍአ ክኸውን እዩ” ምባል ኣዝዩ ገና ከምዝኾነ ተመራመርቲ ይሕብሩ። ብዛዕባ መጻኢ ክንሓስብ ከለና ግን ዘተሓሳስብ እዩ ዝኸውን። ተመራመርቲ ክሊማ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም፡ ምውሳኽ ሙቐት ዓለም፡ ብሰንኪ ምንካይ ዝናብ ከምኡ’ውን ምንካይ ኣየርን ጠሊ ሓመድን፡ ኣብ ተቓላዕቲ ዞባታት ዘጋጥም ሓደጋ ድርቂ ከም ዝውስኽ ከጠንቅቝ ጸኒሖም’ዮም። ድርቂ ዝያዳ ከቢድ ከምዝኸውን ከምኡ’ውን ብቐጻሊ ከጋጥም ከምዝኽእል ትጽቢት ኣለዎም። መጠነ-ሙቐት ዓለም ከምቲ ዝግመት ኣብ 2100 እንተደኣ 3C በጺሑ፡ ሕጂ ዘሎ ደረጃታት ልቀት ጋዝ ብዓቢኡ እንተዘይነክዩ፡ ምንካይ ፍርያት ኣእካልን ካልእ ቍጠባዊ ሳዕቤናት ድርቅን ካብቲ ሎሚ ዘለዎ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ክዛይድ ከምዝኽእል ጸብጻባት የመልክቱ። ተመራማሪ ናሳ ቤንጃሚን ኩክ፡ \"ናብ ዝለዓለ ዝወዓየ ኣየር ዝህልዎ መጻኢ ንሰጋገር ስለዘለና ክንዳሎ ይግባእ፡\" ክብል የጠንቅቕ።","category":"ደርቂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cj520j08pggo"} {"headline":"ትግራይ፡ ምስ ውሕጅን ጋህምስትን ገጢሞም ኢዶም ዘይህቡ ሓረስቶት ኢሮብ","content":"ካብ ከተማ ዓዲግራት ናብ ዘላንበሳ ዝወስድ ፅርግያ ሒዝካ ውሱን ኪሎ ሜትሮ ምስ ተጓዓዝካ ቀርሰበር ዝብልዋ ኣብ ምዕንባብ እትርከብ ከተማ ትረክብ። ካብ ቀርሰበር ንኢድ የማን ተኣሊኻ ብማእኸል ገርሁ ቁሸት ባሕኹላ ገይርካ ናብ ኣሰፈ ሶብያ ተምርሕ። ካብ መፈጠሩ ኣስፋልት ዝበሃል ዘይጠዓመ፤ ሓጋይ ደቦቓ፡ ክረምቲ ረግረግ ዘይፍለዮ ፅርግያ ሓጐፅጎፅ እናበለ ናብ ምድሪ ፍሉይ ወረዳ ኢሮብ ይወስደካ። ቋንቋ ሳሆን ትግርኛን ዝዛረቡ ኢሮቦቶት \"ኣበይ ደኣ ይነብሩ ኣለዉ?\" ኢልካ ክሳብ ትእልሽ፡ ኣብ ፍቖዶ ታባን ኩርባን፡ ንጣር ሃዳሙን ሰቐላን ተቋምት። ብበለስ፣ ጫዓን ሰራውን ዝማዕረገ ግን ድማ ደናጉል ዝበዘሖ ኣፃድፍ ኢሮብ ይቕበለካ። ናብ ከተማታት ዳውሃንን ዓሊቴናን ክትቀርብ እንተለኻ ዝያዳ ንቑልቁል እናተደፋእኻ እንትትወርድ፤ ሒላብ ኣብ ዝመስል መሬት ዝተሃነፃ ከተማታት ትረክብ። \"ኢሮቦቶት ኣበይ ደኣ እዮም ዝሓርሱ?\" ኢልካ ኣብ ሓደ ክሳድ ደው ኢልካ ኣፃብዕትኻ ኣብ ኣፍካን ኣፍንጫኻን ኣዕርፍ ኣቢልካ ክተስተንትን ትጅምር። ሓረስታይ ኢሮብ ግራት ባዕሉ እዩ ዝፈጥር። ኣብ ጉህምን ፀድፍን ደናጉል ኣውፂኡ ተሓራሲ መሬት ንምስንዳእ ብኣእማን ደልዲሉ ከክንዲ ገንበር ብዕራይ ዝኸውን ግራት ይሓርስ። ኣብ ጣብያ ዓሊቴና ሓረስታይ ግደይ ሓሊቦ \"ኣብ ዝባን ዓይጋ ዝዘነበ ማይ ብግራትና ኣቢሉ ይወርድ ነበረ፤ ግራትና ድማ ረቂቕ ኢዩ። መሬት ደልዲልና ግራት ንፈጥር፤ ውሕጅ ድማ የፍርስ፤ መሊስና ንሕና ንግድብ፤ ብኸምዚ ምስ ሓይሊ ውሕጅ እናገጠምና ኢና ንነብር። እዚ ድማ ብኸመይ ኣቢሉ ኾን ይሓልፈልና ብምባል ኢዩ ህዝቢ ኢሮብ ጀሚርዎ\" ብምባል ምስጢር ምህዞ ሓረስታይ ኢሮብ ይገልፁ። ኣብ እግራ እግሪ ታባን ኩርባን ዝነብር ሓረስታይ ኢሮብ፡ ጋሻ ውሕጅ ስለዘገርሆ ክረምቲ ብዝመፅአ ቁፅሪ ምስ ውሕጅ ሕንቆን ሕልኮን ክገጥም ስሪኡ ሰብሲቡ ይፅበ። ከምቲ ሓረስታይ ግደይ ዝበልዎ ናብራ እናወደቕካ መመሊስካ እናተሳእኻ እንድዩ፡ ሓረስቶት ንውሕጅ የሻል እንተይበሉ ዕድመ ድኽነት ከሕፅሩ ኣብ ዓውዲ ግብግብ ይነብሩ። \"ሎሚዘበን ፅቡቕ ተስፋ ኣለና\" ኣብ ከምዚ ዝበለ መሬት፡ ምስ ውሕጅ ኢሮብ ገጢሞም፤ ኣፍርዮም ስድራ ምጥዋር ካብ ዝጅምሩ ሓረስታይ ግደይ እኳስ ሰላሳ ዓመት ገይሮም። \"ቀደም ሌቛ፣ዳጉሻን ጣፍን ንዘርእ ነይርና፤ ኣብቲ ሌቛን ዳጉሻን ኣዕዋፍ፤ ኣብቲ ጣፍ ድማ ፃፀ ምስራሕ ከሊኦምና ናብ መሸላ ባሕሪ ምዝራእ ኣተና። እዚ ትርእዮ ዘለኻ ግራተይ እዩ፤ ብንክየው ገፅ እውን ኣለኒ፤ ኣብ እግሪ በለስ ከይተረፈ ንዘርእ ኣለና\" ክብሉ ይዛረቡ። ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ \"ጥብ ዝበለት ማይ ዝስድድ የለን። ማይ ደኣ ደንጕዩና ንብል እምበር ሃኒኑ ዝመፀአ ኣይንሰድድን። ቀደም ካብ እምባ ዓይጋ ተኣኒኑ ዝወረደ ማይ፡ ባዳ ይኣትዉ ነበረ፤ ሎሚ ኣይንሰዶን እብለካ ኣለኹ። ሕዚ እማ ኣሽንኳይ ዶ ክንሰድድስ ንኹልና ኣይኣኽለናን\" ኢሎም ሓረስታይ ግደይ። ኣብ ኢሮብ እሞ ድማ ኣብ ፀድፍን ሽንጥሮን ኣብ ርእሲኡ ሓናት ዘንኩል ዋዒ ተወሲኽዎ ንምንባር ፈታኒ እዩ። ስለዚ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ፍጥረት ኣዳመ ሄዋን ክንደየናይ ብርኪ ሓፂን ዝወነነ ፅኑዕ ከምዝኸውን ንምግማቱ ኣይኸብድን። ብየማንን ፀጋምን ብጋህምስቲ ተኸቢቡ፤ ኣብ ቁራስ መሬት ግራት ፈጢሩ፤ ይሓርስ ይባሩው፤ ዝረኸቦ እቶት ሓፊሱ ተመስገን ኢሉ ይሓድር። ካብ ቤት ፅሕፈት ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ወረዳ ኢሮብ እውን ሞያዊ ሓገዝ ከምዘይፍለዮም ዝገልፁ እቶም ሓረስቶት ዘበናዊ ድኹዒን ምሩፅ ዘርእን እውን ከም ዝጥቀሙ ይዛረቡ። \"መዳበርያ እንድሕር ተጠቒምና ዘራእቲ ሰፍ ስለዝብል ካብ ፃህያይ የምልጥ። ብገንዘብና ደኣ እዩ እምበር ምሩፅ ዘርኢ እውን ይህቡና እዮም። ዓሚ ዝናብ ውሒዱና ከፊኡና ነይሩ፤ ሎሚዘበን ፅቡቕ ተስፋ ኣለና\" ይብሉ ሰማይ ሰማይ ኣንቃዕሪሮም ነቲ ክዘንብ ዝህንደድ ዝነበረ ደበና እናመዓደዉ። ናብ ከተማ ዳውሃን ክትወርድ እሞ ድማ ኣብ ዝባን ኮይንካ እንትትርኢ፤ ከተማ ዳውሃን ብልምዓት መስኖ ጥራሕ ሓምለዋይ ሕብሪ ዝለበሰት ምድራዊት ገነት መሲላ ኩልዕ ኢላ ትረአ። ኣብ ወረዳ ኢሮብ ብሳላ ሓገዝ ዶክተር ብሩኖ ዝበሃሉ ወዲ ሃገረ ስዊዘርላንድ ገባሪ ሰናይ፡ ዝተሃነፀ ሓፅቢ፡ ንልምዓት መስኖ ሰፍ ዘይብል ኣበርክቶ ወፍዩ ኢዩ። ተፃርዩ ንመስተ ክውዕል ድማ ስራሕቲ ተወጊኑ'ሎ። ዶክተር ብሩኖ ብፍልጠቶምን ገንዘቦምን ንቲ ሓፅቢ ከምዝሃነፁ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ኣይተ ኪዳነ ደበሳይ ይገልፁ። ብተወሳኺ ኣብ ገምገም እቲ ሓፅቢ መዕረፊ ኣጋይሽ እውን ሃኒፆም ንኣገልግሎት ቀሪቦም ኣለዉ። ካብ ዳውሃን ክሳብ ዓሊቴና ወሰና ወሰን ሩባ ሩባ ሓመድ ተኸቲሩ፣ለሚዑን ይረአ። ግድምታት ሳላ ዝተሓዘአ፡ ኣግራባት ለምሊሞም መሬት ወቂባ'ላ። ሓረስቶት ኢሮብ ግራት እንትፈጥሩ ወሰና ወሰን ሰለስተ ሜትሮ ናፃ መሬት ይገድፉ፤ ስለምንታይ? ከውሒ ስለዘይብሉ ግምዕ ኢሉ ከይወድቕ። ክንዲ ቁመት ማእኸላይ ሰብ ዝኸውን ብእምኒ ተራዕሪዑ ዝተዃነየ ድልድል እዩ ደጊፉ ዝሕዞ። ኣብዑር ፀሚዶም ግራት ምስ ሓረሱ ነቲ ኣብ ወሰና ወሰን ግራት ሰለስተ ሜትሮ ዝገድፍሉ መጠናኸሪ ናፃ መሬት ንምድልዳል፡መጃብር ዝበሃል ባህላዊ መሳርሒ እዮም ዝጥቀሙ። መጃብር ሓውሲ መጋፍያ ኰይኑ ብኣብዑር ዝጉተት ሓመድ ብቐሊሉ ጉሒፉ ዘመዓራሪ መሳርሒ እዩ። ሓረስታይ ተስፋይ ኣሰፋ እውን ነባራይ ጣብያ ዓሊቴና እዮም፤ መጃብር ፀይሮም ገስጊሶም ናብ ግራቶም ብምውፋር ወሰና ወሰን ግራት ኣብ ሓፂር ግዜ ጓሕጢጦም መልክዕ የትሕዙ። ኣብ ፀድፊ ብሓመድ ተደልዲሉ ዝተሰናደአ ግራት፡ ማይ ናብ ሓደ ገፅ ዓቝሩ ከይድቅስ እቲ ግራት ዝተደላደ ንክኸውን ብመጃብር ይሰናዳእ። ብፍላይ እቲ ኣብ ወሰን ግራት ዝግደፍ ሰለስተ ሜትሮ ናፃ መሬት ነቲ ግራት ሒዝዎ ዘሎ ዛላ ኳና ክጥንክር እዩ ዝሕግዝ። ኢሮቦቶት ግራት ዘደልድል ወይ ድማ ሓፁር ኰይኑ ዘገልግል ኳና እንትሃንፁ እኳስ፡ ኣብ ኢሮብ ጥራሕ ዝተለመደ ኣፀፋፅፋ እምኒ ኣለዎም። እምኒ ንጎኒ ተይኰነስ ንቑመት እዩ ጠጠው ኢሉ ዝርዕራዕ። መሬት ኢሮብ ሓደጋ ድርቅን ሓርን ብተደጋጋሚ ዝፈታተንዎ ከባቢ ምንባሩ ይፍለጥ። ይኹን እምበር ህዝቢ ብተፀዋርነት ኣስናኑ ነኺሱ ምስ ውሕጅን ጋህምስትን ገጢሙ፤ ግራት ፈጢሩ ምህርቲ ብምርካብ ናብርኡ ኣብ ምምሕያሽ ይርከብ። ተፈጥሮኣዊ ኣቀማምጣ መሬት ኢሮብ፡ ንህዝቢ ኢሮብ ዝያዳ ክጥንክር ከምዘኽኣሎ ምርዳእ ይካኣል።","category":"ደርቂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49108077"} {"headline":"ካብ ኣማዞን ንላዕሊ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝያዳ ባርዕ ሓዊ ኣሎ","content":"ኣብ ጫካ ኣማዞን ኣጋጢሙ ዘሎ ባርዕ ሓዊ፡ ኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ስሒቡ ይርከብ። እንተኾነ፡ ባርዕ ሓዊ ኣማዞን፡ ምስ ካልእ ክፋል ዓለም ክነጻጸር እንከሎ፡ ዝተረኽበ ሓቅታት ዘገርም እዩ። ኣብዚ ጉዳይ ተመርኩሶም፤ ሰባት ነቲ ብትካል ምርምር ጠፈር ኣመሪካ ዝተዳለወ፡ ኣብ ዓለምና ዝተኸሰቱ ባርዓት ዘርእይ ካርታ ክፈታትሽዎ ጀሚሮም። ብሰንበት ዝወጸ ካርታ ናይ ዓለምና እንተተዓዚብና፡ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ካብ ኣማዞን ንላዕሊ ዝያዳ ባርዕ ሓዊ ከምዘሎ ዘርእይ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፤ ኣንጐላ ምስ ብራዚል ክነጻጸር እንከሎ፡ 3 ዕጽፊ ባርዕ ሓዊ ኣጋጢምዋ እዩ። እቲ ዝተረኸበ መረዳእታ ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ኣንጐላ 6,902 ባርዕ ሓዊ፡ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ 3,395 ባርዕ ሓዊ ኣጋጢሙ ነይሩ። ኣብ ብራዚል ዝነበረ ድማ፡ 2,127 ባርዕ ሓዊ ጥራይ እዩ። ብርክት ዝበሉ ደቂ ብራዚል፡ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ክንዲ ኣብ ኣማዞን ዝዝንቢ፤ ኣቓልብኡ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ባርዓት ክገብር ኣዘኻኺሮሞ። ሰኑይ መዓልቲ፡ ኣብ ዱር ኣማዞን ተወሊዑ ንዘሎ ባርዕ ሓዊ ንምጥፋእ፡ ሃብታማት ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ፡ 22 ሚልዮን ዶላር ክህባ ምዃነን ፕረዚደንት ፈረንሳ ኣፍሊጡ እዩ። ንሱ፡ ነቲ ኣብ ሃገራት ትሕተ-ሰሃራ ኣፍሪቃ ተወሊዑ ዘሎ ባርዕ ንምጥፋእ'ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ተዛሪቡ። እቲ ኣብ ካርታ ናይ 'ናሳ' እናነደደ ዝረኣይ ዘሎ ቦታታት፡ ዱር ድዩ ወላ መጋሃጫ ኣይተጠቐስን። ሓደ ሓደ ግዜ፡ ሓረስቶት ነቲ መሬቶም ጸሪጎም ዳግማይ ክዘርኡ፤ ነቲ ተኽሊ ብምቑራይ የንድድዎ። እንተኾነ ግና፡ ከምዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ንምብሕጓግ መሬትን፤ ምድረበዳነትን ከምኡ'ውን ኣብ ምጥፋእ ህይወታውያን ኣበርክቶ ከም ዝገብር ይግለጽ። እንተኾነ፤ ብሓዊ ኣቃጺልካ መሬት ምጽራግ ሕሱር ብምዃኑ፡ ሕማም ንምክልኻል ስለዝሕግዝን፡ እቲ ሓሞኽሽቲ ድማ ንቐጻሊ ኣዝርእቲ ከም ዱኽዒ ስለዘገልግልን ብሓረስቶት ተመራጺ እዩ።","category":"ደርቂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49479741"} {"headline":"ትግራይ፡ ውድብ መግብን ሕርሻን ዓለም ኣብ መኸተ ኣንበጣ ይሕግዝ ኣሎ","content":"ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ናብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ምስ ኣተወ ኣብ ዞባታት ደቡብ ምብራቕ፣ ምብራቕን ማእኸላይ ክፋል ትግራይን ብምእታው ሃሰያ ኣውሪዱ እዩ። ኣብዚ ሰሙን'ዚ ድማ ናብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ስለ ዝኣተወ: ኣብ ዝኸፈአ ኩነታት ከም ዘሎ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠር ትግራይ ኣፍሊጡ ኣሎ። ብፍላይ ኣብ ገለ ኸባብታት ደቡብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዘራእቲ ጉድኣት ከም ዝብጸሐ ይዝረብ። ብዛዕባ እቲ ዝበጽሐ ጉድኣት መጠን ንምዝራብ ግን፡ እዋኑ ገና ምዃኑ ቢሮ ሕርሻ ትግራይ ንቢቢሲ ይገልጽ። ወለንተኛታት መናእሰይ’ቲ ክልል ካብ ወረዳ ናብ ወረዳ እናተንቀሳቐሱ ኣብቲ መኸተ ዓብዪ ግደ ዝተጻወቱ ኾይኖም፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እቲ ክልል ድማ ‘ቀዲምካ ናይ ዘይምድላው’ ሕቶታት ክለዓሉ ጸኒሖም እዮም። ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ዶ\/ር ኣትንኩት መዝገበ: ኣብ ትግራይ ልዕሊ 50 ዕስለ ኣንበጣ ከምዝኣተወን እቲ ዝተግብረ ምክልኻል እንተዝደክም ነይሩ ዝኸበደ ዕንወት ክበጽሕ ከም ዝኽእል ንቢቢሲ ገሊፆም። ወራር ዕስለ ኣንበጣ እውን እንተዘይነብር: “ዓመታዊ ትሕቲ 5 ሚኢታዊት ምህርቲ ብባልዕን ሕማምን ዘራእቲ ክጉዳእ እዩ ኢልና ኣብ ትልምና ንሕዝ ኢና” ይብሉ ዶ\/ር ኣትንኩት። “ኣብዚ ዓመት ዋላ እውን ኣንበጣ ኣብ ዝኣተወሉ ኩነታት ልዕሊ 5 ሚኢታዊ ምንካይ ምህርቲ ከጓንፍ ከም ዘይብሉ ሰሪሕና ኢና” ኢሎም። እቶም ሓላፊ ቢሮ እዚ ይበሉ ‘ምበር መጠን እቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ዛጊድ ኣይተፈልጠን፤ እቲ ቢሮ’ውን ኣይገለጸን። 'ሕዚ እውን እንታይ ከምዝስዕብ ኣብ ዘይፍለጠሉ ኩነት ክንድ'ዚ ዝኣክል ዕንወት በፂሑ እዩ’ ምባል ከምዘይካኣል ዶ\/ር ኣትንኩት ተዛሪቦም። \"ካብ ውሽጥና ዝለዓል ሕማም እንተዝኸውን ነይሩ ክንዛረበሉ ምኽኣልና። ኮይኑ ግን መልዐሊኡ ካብ ካልእ ምስ ምዃኑ ንሓደ መዓልቲ ሓራ ዝወፀአ ከባቢ ስለ ዘሎ ውሕስ ምግባር ኣይከኣልን\" ይብሉ። ምስ መንግስቲ ፈደራል ተሓጋጊዝካ ኣብ ምስራሕ ኣብቲ መጀምርታ እዋን: ምስ ሚኒስትሪ ሕርሻ ተሓጋጊዝና ንሰርሕ ነይርና ዝበሉ ዶ\/ር ኣትንኩት፡ ድሮን ክነምፅእ እንከለና ዕንቅፋት ምስ ጎነፈና ደብዳቤ ክሳብ ምፅሓፍ ሓጊዙና እዩ ኢሎም። ደሓር ግን መንግስቲ ፈደራል ነገራት ፖለቲካዊ መልክዕ እንተትሕዞ ሚንስትሪ ሕርሻ ዝበሎ ኣይነበረን፤ ካልኦት ኣካላት መንግስቲ ፈደራል ግን ድማ ዘይምልከቶም ኬሚካል ነፂግና ክሳብ ምባል በፂሖም ብምባል ይነቕፉ። 'ፋኦ' እንታይ’ዩ ሓጊዙ? ውድብ መግብን ሕርሻን ዓለም 'ፋኦ' ምስ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብቐጥታ ተራኺቡ ይሰርሕ ምህላዉ ዶ\/ር ኣትንኩት መዝገበ ተዛሪቦም። ነፈርቲ ናብ ትግራይ ብምልኣኽ ዳህሳስ ከም ዘካየዱን ኣብ ባይታ ወሪዶም ነቲ ኩነታት ከም ዝረኣዩን ዘድሊ ሓገዝ ንምሃብ ምስቲ ክልል ብሓባር ይሰርሑ ከም ዘለዉን ተገሊፁ ኣሎ። \"ፋኦ እቲ ኩነታት ብደረጃ ዓለም እውን ስለ ዝተረደኦም: ብሰናይ ተበግሶኦም ምሳይ ብቐጥታ ብምርኻብ ሓገዝ ክህቡና ከም ዝደልዮ ብምግላፅ: ይሰርሑ ኣለዉ\" ኢሎም። 'ፋኦ' ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዞባ ማእኸል ብነፋሪት ክነፅጉ ከም ዝሓተቱን ኮይኑ ግና ምስቲ ህዝቢ ዝነብረሉ ከባቢ ምስ ምዃኑ ስለ ዘይመቸወ ኣብ ባይታ ብሓይሊ ሰብ ኣብ ዝካየድ ስራሕቲ ምንፃግ ዘድሊ ሓገዝ ሓቲቶምና ኣለና ኢሎም እቶም ሓላፊ:: ወራር ኣንበጣ ክንድ'ዚ ዝኣክል ዕንወት ዘውርድ ዘሎ ቅንዲ መንቀሊኡ: ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝጠንክሩ መንግስታት ዘይምህላዎም እዩ ዝበሉ ዶ\/ር ኣትንኩት ብሰንኪ'ዚ ሃገራት ዝተዋደደ ሜላ ምክልኻል ከካይዳ ከምዘይከኣላ ይገልፁ። \"ዓሚ’ኳስ ምቁፅፃር ምተኻእለ ነይሩ: ካብ የመን ተበጊስና ሶማልን ኢትዮጵያን ዝደኸሙ መንግስታት እዮም ዘለዉ: መን ይቆፃፀሮ? እምበር ኣንበጣ ቅድሚ መንፈር ምውፅኡ ኣብ ዘለዎ ከይድካ ምጥፋእ ምተኽኣለ ነይሩ\" ኢሎም። ከም ክልል ትግራይ እውን ነቶም ብውልቀሰባትን ትካላትን ዝተጀመሩ ሓደስቲ ምህዞታት ብቐፃልነት ምትብባዕ ከም ዘድሊ መንግስቲ ትግራይ እውን ኣብኡ ኣድሂቡ ከም ዝሰርሕን እምነት ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ምዃኑ ተገሊፁ ኣሎ። ነቲ ካብ ደገ ዝመፅእ ዘሎ መንፀጊ መሽናት ኣብ መስፍን ኢንዳስትርያል ኢንጂነሪንግ ተደጊሙ ንኽስራሕን ኣብ ምግባር ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል እውን ዶ\/ር ኣትንኩት መዝገበ ገሊፆም እዮም።","category":"ደርቂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54729529"} {"headline":"ዝምባብወ፡ ጸገም ቀረብ ኤለትሪክ ንምፍታሕ ልቓሕ ረኺባ","content":"ዝምባብወ፡ ነዚ ኣጋጢምዋ ዘሎ ሕጽረት ኤለትሪክ ንምፋታሕ ናይ 42.5 ሚልዮን ዶላር ልቃሕ ከም ዝረኸበት፡ ብመንግስቲ ዝምባብወ እትውነን ጋዜጣ ኣቃሊሓ። እታ ጋዜጣ፡ ምኒስተር ፋይናንስ እታ ሃገር ካብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ጀሚሩ ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ልቃሕ ንምርካብ ክሰርሕ ከም ዝጸንሐ ገሊጻ። እንተኾነ፡ እቲ ካብ ባንኪ ኣምጻእን ለኣኽን ህንዲ ዝተረኸበ ልቓሕ ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕጽረት ቀረብ ኤለትሪክ፡ ቅጽበታዊ ፍታሕ ከምጽእ'ዩ ተባሂሉ ከም ዘይእመን'ዩ ዝግለጽ። እዚ ተረኺቡ ዘሎ ልቓሕ፡ ንቡሉዋኦን ሃዋንገን ዝብሃላ ፋብሪካታት ቐረብ ኤለትሪክ ንምምሕያሽ ከም ዝውዕል'ውን እታ መንግስታዊት ጋዜጣ ኣፍሊጣ። ካብ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ፡ ኣብ ዝምባብወ ኤለትሪክ ኣብ 24 ሰዓታት፡ ኣብ ለይቲ ንሸውዓት ሰዓታት ጥራይ እዩ ዝፍኖ ዘሎ። ኣብ ሃራሪ ዝርከብ ወኪል ዜና ቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ እዚ ዋሕዲ ቀረብ ኤለትሪክ፡ ኣውፈርቲ ልዕሊ 200 ሚልዮን ዶላር መኽሰብ ከምዘስኣኖም'ዮም ዝግምቱ ኢሉ። መንግስቲ፡ እቲ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ዋሕዲ ዝናብ፡ ነቲ መትኒ ቀረብ ኤልትሪክ እታ ሃገር ዝኾነ ዲጋ ካሪባ መጠን ማዩ ስለዘነከዮ ዝሰዓበ ከምዝኾነ'ዩ ዝገልጽ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ፋይናንስያዊ ጸገማት'ውን ንጸገም ዋሕዲ ኤለትሪክ ከይቕረፍ ሓሊኹ ከምዝሓዞ'ዮም ሰብ መዚ ዝገልጹ። እተን ብነዳዲ ዝሰርሓ ጀነረተራት ንኸይሰርሓ'ውን፡ ካብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት ኣትሒዙ፡ ዋጋ ነዳዲ ብሸውዓተ ዕጽፊ ስለዝወሰኸ ነቲ ጸገማት ሓላሊኽዎ ከምዝርከብ እቲ ኣብ መንግስታዊት ጋዜጣ ዝወጸ ጸብጻብ የብርህ።","category":"ደርቂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49316701"} {"headline":"ኣደታት እንደርታ ግራተን ኣብ ምቁማት ውዒለን የምስያ","content":"ዛጊድ ኣርባዕተ ዞባታት ትግራይ ዝተርኣየ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ወረዳ እንደርታ ንዝቕመጣ ኣደታት ከጨንቕ ተርኣዩ ነይሩ። ኣብ መኸተ እቲ ኣንበጣ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ተሳቲፎም።","category":"ደርቂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54627241"} {"headline":"ኤርትራውያን ኣብ መኸተ ወራር ኣንበጣ ትግራይ እንታይ ኣበርኪቶም?","content":"ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ነቲ ብወራር ዕስለ ኣምበጣ ኣብ ትግራይ የጋጥም ዘሎ ሃስያ ንሓረስቶት ትግራይ ንምሕጋዝ ብጎፈንድሚ ገንዘብ የተኣኻኽቡ ኣለዉ። ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን መናእሰይ ድማ፡ ናብተን ዕስለ ኣምበጣ ዝኣተወለን ከባብታት ብምኻድ ደገፎም ገሊጾም። ቅድሚ ሕጂ’ውን ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ድማ ኤርትራን ትግራይን ዝነበረ ኩነታት ናብ ንቡር ንምምላስ፣ ወጥሪ ንምህዳእን፣ “እቲ ተፈጢሩ ዝጸንሐ ናይ ጽልኢ ፕሮፖጋንዳ ንምስዓር ዝተፈላለየ ጻዕሪ ክንገብር ጸናሕና ኢና” ዝብል ተቐማጢ ሃገረ ስዊዘርላንድ ኤርትራዊ የማነ ዮውሃንስ እዩ። “ሕጂ ድማ ውሑዳት ሰባት ኮይንና ዝክኣለና ኣኪብና ነቲ ዕስለ ኣንበጣ ንምምካት ዝኸዱ መናእሰይ ንምሕጋዝ ገለ ንግበር ብዝብል’ኳ እንተጀመርናዮ፡ ካብ ትጽቢትና ወጻኢ ሰብ እጃሙ ከወፊ ጀሚሩ” ብምባል ነቲ ብጎፈንድ-ሚ ዝገብሩዎ ዘለው ምትእኽኻብ ገንዘብ ኣብሪሁ። ዛጊድ ልዕሊ 20 ሽሕ ዶላር ክእክቡ ክኢሎም ኣለው። እዚ፡ “ድጋፍ ኤርትራውያን ንሓረስታይ ትግራይ” ብዝብል ጻውዒት ዝተኣኻኸብ ዘሎ ገንዘብ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝተፈላለዩ ሰባት ወፈያ ንኹሉ ክፉት ኮይኑ እዩ። እዚ ኣብ ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ኢትዮጵያን ጎረባብቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃን ዝርአ ዘሎ ዕስለ ኣንበጣ ምምካት፡ ሰብኣውነት ጥራሕ እኹል እዩ ዝብል ኣቶ የማነ፡ ክልቲኤና ህዝብታት ድማ ንዝተፈላለዩ ባህሪያዊ ሓደጋታት ተሓጋጊዝና ንምምካት ውፉያት ምዃንና ነዚ ተበግሶ ክንወስድ ክኢልና ይብል። “ነዚ ጎፈንድሚ ብሽም ኤርትራውያን ዝኸፈትናሉ ዕላማ ግን፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዝተፈላለየ መገዲ ካብ ኤርትራ ዝወጽአ ዘዕቖበ ስለ ዝኾነ ኣብ ጎንኻ ኣለና ንምባልን ዘለና ደገፍ ንምርኣይን፣ ኤርትራውያን ክቡር መንነትን ሰብኣውነትን ከም ዘለና ንምርኣይን፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ህዝቢ ኲናትን ወረ ኲናትን ንምልዓል ዝደልዩ እንተሃልዮም’ውን ንሕና ንሰላምን ንዝመጽአ ሓደጋታትን ንምትሕግጋዝ ድሉዋት ምዃንና መልእኽቲ ንምሕላፍ’ዩ” ኢሉ። ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ትግራይ ዝነብሩ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሮም ናብተን ብዕስለ ኣንበጣ ዝተወረራ ከባቢታት ትግራይ ብምኻድ ነቲ ኣምበጣ ኣብ ምብራር ንሓረስታይ ኣብ ምሕጋዝ ወፊሮም’ዮም። ብኽልተ ዙር 74 ሰባት ናብ ወረዳታት ራያ ጨርጨርን ከባቢኡን ከም ዝወፈሩ ዝዛረብ ሓደ ካብቶም መናእሰይ ዝኾነ ዘርኣይ ደረስ፡ ጎና ጎኒ ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝመጽአ ሰላም ክልቲኡ ህዝብታት ንምዕቃብ ዘለና ባህጊ ንምግላጽ እዩ ብምባል የብርህ። “ንሕና ደቂ ገባር፡ ደቂ ሓረስቶት ኢና፤ ስለዚ ናይ ዓመት ሙሉእ ድኻም እንታይ ማለት’ዩ ዝብል ንፈልጦ ኢና። ሓረስታይ ቀለብ ዓመት ሙሉእ ክገብሮ ዝጸዓሮ ብከንቱ ንከይጠፍእ ኣብ ጎኒ ህዝቢ እቲ ህዝቢ ንምዃን እዩ ኣበጊሱና” ኢሉ። ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ከባብታት ራያን ወጅራትን ዘሎ ኩነታት ሓደጋ እቲ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ከቢድ ከም ዝኾነን ሓረስታይ ኣብ ጸገም ከም ዘሎን ዝገልጽ ካልእ ኤርትራዊ ፊሊሞን ኤርምያስ ድማ፡ እቲ ወፍሪ ውጽኢታዊ ንክኸውን መንግስቲ ነቲ ዝወፍር ህዝቢ ንጹር መምርሕታት ክህብ ይግባእ ይብል። “እቲ ሓረስታይ ነቢዕካ ኣይጽረገሉን፤ ብጣዕሚ ኣብ ዘሕዝንን ኣስጋእን ኩነታት ኮይኑ፡ ሓረስቶት አይ አይ ኢሎም እንዳበኸዩ’ዮም ጸኒሖምና። መንግስቲ ትግራይ ንዕኡ ዝምልከት ሓይሊ ዕማም ኣቚሙ መን ናበይ ይኸይድ? እንታይ ይሰርሕ? መን ምስ መን እንተሰሩሑ እዩ’ኸ ኣድማዒ ዝኾነ ኩነታት ክፍጠር ዝኽእል ንዝብል፡ ሳይንሳዊ ትንታነታት ብምቕራብ ንህዝቢ ንፁር ሓበሬታ ክህብ ይግባእ” ኢሉ። እቲ ዕስለ ኣንበጣ ብብዝሒ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ክርአ እንከሎ፡ ነቲ ኣብ ዘራእቲ እናዓረፈ ጉድኣት ዘብጽሕ ዘሎ ዕስለ ኣብ ክሊ እቲ ኬሚካል ብምንጻግ ሓደግኡ ንምንካይ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ እቶም መናእሰይ ድምጺ ከውጽኡ ዝኽእሉ ነገራት ተጠቒሞም ከባርሩዎ እዮም ዝፍትኑ። ተቐማጢ ሃገረ ስዊዘርላንድ ኤርትራዊ የማነ ዮውሃንስ፡ እቲ ዝጀመሩዎ ወፈያ ገንዘብ ኣብ ቀረባ መዓልታት ብግቡእ ነቶም ግዳያት ንክበጽሖም ምድላዋት ከም ዝገብሩ ተዛሪቡ። በዚ ኣስታት 25 ሽሕ ዶላር ንምእካብ መደብ ከም ዝሓዙ ዝገልጽ እቲ መተሓባበሪ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ካብ ትጽቢቶም ወጻእ ዝኾነ መጠን ገንዘብ ክእክቡ ብምኽኣሎም ሕጉስ ምዃኑ ገሊጹ። “እቲ ኣንበጣ ካበይ ተበጊሱ ኣበይ ይበጽሕ ዝብል ሓበሬታ ስለ ዘለና፡ ኣብ ኤርትራ’ውን ተመሳሳሊ ጸገም ከጋጥም ስለ ዝኽእል ከምቲ ኮሮናቫይረስ ክመጽእ ከሎ ዜጋታትና ንምሕጋዝ ዝገበርናዮ ጻዕሪ፡ ብዝተዓጻጸፈ ንምሕጋዝ ድሉዋት ኢና” ኢሉ። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ተወለድቲ ትግራይ’ውን ንተመሳሳሊ ዕላማ ዝውዕል ገንዘብ ንምትእኽኻብ ብጎፈንድሚ ወፈያ ዝገብሩ ዘለው ኮይኖም፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዕሊ 640 ሽሕ ዶላር ከም ዘተኣኻኸቡ ይግለጽ።","category":"ደርቂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54565966"} {"headline":"ኤርትራ፡ እቲ ካልእ ብደሆ - ኮቪድ-19ን ኣንበጣን","content":"ኣብዚ ቕንያት ዓለማዊ መዓልቲ መግብን ምውጋድ ድኽነትን ዝዝከረሉ ዘሎ ሳምንቲ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ብቐንዱ ኢትዮጵያን ኤርትራ እውን ሕጂ ብኮቪድ-19ን ወራር ኣንበጣን ይጥቀዓ ኣለዋ። እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝወረረ ኣንበጣ ኣብ ሕርሻን መጋሃጫን ከቢድ ጉድኣት ከም ዝውረደ ይግለጽ። እቲ ኣብ ኤርትራ ብዞባ ደቡብ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ዓዲ ቐይሕ፡ ጾሮናን ማይዓይንን ከም ዝኣተወ ዝተገልጸ ኣንበጣ ድማ፡ ብህዝብን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ንምቁጽጻሩ ይፍተን ከም ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ሓቢሩ ኣሎ። ኣብ መጻኢ እውን ተኽእሎ ተኸታታሊ ወራራት ኣንበጣ ልዑል ምዃኑን፡ ሓይልታት ምክልኻልን ምምሕዳራት ኣካላት ምኒስትሪ ሕርሻን ውዳበታቶም ብምጥንኻር ኣንጻር ወራር ኣንበጣ መኸተኦም ከሐይሉ ክዳለው ጥብቂ መዘኻኸሪ ምቕራቡ ኣብ ናይ ትማሊ ሕታም ቢቢሲ ትግርኛ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ከኣ ነቲ ብ16 ጥቅምቲ ‘ንቐጻልነት ውሑስ መኣዛዊ መግቢ፡ ብሓባር ንስራሕ!” ብዝብል ቴማ ዝተዘከረ ኣህጉራዊ መዓልቲ ምርግጋጽ መግብን፡ እቲ “ንኹሉ ዝበቅዕ ማሕበራውን ኣከባቢያውን ፍትሒ ንምርግጋጽ ሓቢርና ንስራሕ” ብዝብል ቴማ ንጽባሒቱ ዝተባዕለ ምውጋድ ዓለማዊ ድኽነትን ዝያዳ በዳሂ ይገብሮ። “ዓለም ብዘደንቕ ቁጠባዊ ምዕባለን ብፋይናንሲያዊ ዕቤትን እናሰጎመት፡ ገና ብሚልዯናት ዝቑጸሩ አህዛብ ዓለም ኣብ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ደረጃ ድኽነት ይነብሩ ምህላዎም ዘተሓሳስብ” እዩ ይብል ትካል ሕቡራት ሃገራት። ድኽነት፡ ብቁጠባዊ እቶት ጥራሕ ዘይኮነ በቲ ንሱ ዘስዕቦ ኩለንትናዊ ድቀት እውን’ዩ ዝምዘን ዝበለ እቲ ሰነድ፡ እቶም ኣብ ድኽነት ዝነብሩ ሰባት፡ መባእታዊ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላቶም ከኽብሩን ክከላኸሉን ስለ ዘይክእሉ ክልተ ሳዕ ይብደሉ። ብሰንኪ ድኽነቶም፡ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ናይ ስራሕ ኩነታት ክሳተፉ፤ ኣብ ዘይውሑስ ኣባይቲ ክነብሩ፡ እኹል መኣዛ ካብ ዘለዎ መግቢ ክሕረሙ፤ ካብ ምዕሩይ ስርዓተ ፍትሒ ተገሊሎም መሰረታዊ ክንክን ጥዕና እውን ስለዘይረኽቡ ህይወቶም ኣተሓሳሳቢ ይኸውን። ኣብ 1992 ክኽበር ዝጀመረ ዓለማዊ መዓልቲ ምውጋድ ድኽነት ለብዘበን ን32 ዓመታት ይበዓል ኣሎ። እቲ ብ1945፡ ዘተኣማምን ውሕስነት መግቢ ንምፍጣር ብምሕላን፡ ኣብ ኩቤክ ካናዳ ፈላሚ ኣኼብኡ ብምክያድ ዝቖመ ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት ከኣ ን75 ዓመታት ዝኣክል ዕላማታቱ ክውን ንምግባር ይሰርሕ ኣሎ። እንተኾነ ዓለምና ቅድምኡን ድሕሪኡን ሕጂ እውን እንተኾነ ካብ ድኽነትን ሕጽረት መግብን ኣይተገላገለትን ዘላ። ብፍላይ ኣብ ሃገራት ሳሕለ ሰሃራ ኣፍሪቃን ኣብ ብዙሓት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ሳልሳይ ዓለምን ድኽነትን ሕጽረት መግብን ገና ሱር ሰሪቱ ይርከብ። ለብዘበን ከኣ ኣብ ርእሲ ኣላታ ተወሰኸታ ኮይኑ፡ ብዝናም ሰማይ ተመሳጊኖም ዓመት ምሉእ ርሂጾም ግርሁኦም ኣብ ፍረ ዘብጹሑዎ ሓረስቶት፡ ኣብ ሑጻታት ኣጻምእ ተጸፍዩ ብዝበረረ ኣንበጣ ምድረ-በዳ ምህርቶም ርእዮም ከይስእንዎ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ኣለው። ኣብ ኣብ ኢትዮጵያ እኳ ድሮ እውን ከቢድ ሃስያ ኣውሪዱ ኣሎ። ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ ኣጋጢሙ ብዘሎ ዕጽዋን ምርሕሓቕን፡ ናይ ለብዘበን ዝኽሪ ዓለማዊ መዓልቲ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ፡ ኣብ ብራስለስ ዝርከብ ኦፊስ ውድብ መግብን ሕርሻን ብማንዛ መራኸቢታት ኣኼባ ብምክያድ፡ ነብሲ ወከፍ ኣባል ሃገራትን ዝምልከተን መሻርኽቲ ትካላትን ቀረብ መግቢ ንምውሓስ ዝከኣሎም ክገብሩ ዝጽውዕ ርክብ ኣካይዱ። እቲ ንምውጋድ ድኽነት ዝምልከት ዕለት እውን፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ብዘይ ውሕስነት ኣከባቢ ስለዘይረጋገጽ፡ ኣብዛ ብሓባር እንነብረላ ፕላኔት ድሕነትና ንምርግጋጽ ብሕቡር ቅልጽምን ፍልጠትን ክንከናኸናን ክንከላኸለላን ይግባእ። እቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝነብሩ አህዛብ ከኣ፡ ፈለማ፡ ኣብ ከባቢኦም ንዝፍጸም ግህሰት ኣከባብን ኪሊማን ከሕውዩ ከም ዝግባእ፤ እቶም ኣብ ምውጋድ ድኽነትን ምርግጋጽ ውሕስነት መግብን ዝዓዩ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣካላት ድማ ነቶም ብድኽነትን ድሕረትን ዝተሃስዩ ወገናት ክሕግዙን ወዲቖምዎ ካብ ዘለው ቁጠባዊ ስንክልና ከቕንዑዎምን ከምዝግባእ የዘኻኽር። ኣብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝኽሰት ዘሎ ምልውዋጥ ክሊማን ኣብዚ ዓመት እዚ ዘጋጠመ ስግኣት ለበዳ ኮቪድ-19ን ኣብ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ጽልዋ ክፍጠር ባህሪያዊ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዝተራእየ ተኸታታሊ ሕጽረትን ዝናብን ምልውዋጥ ክላይመትን ሃገራት ኣፍሪቃ ካብቲ ብሰደድ ዝልእኽኦ ምህርቲ እቲ ብእታው ዘእትወኦ ዓይነት መግቢ ዝዓበየ ኮይኑ ኣሎ። ምኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ከኣ ብ16 ጥቅምቲ ብምኽንያት ዓለማዊ መዓልቲ መግቢ፡ ነፍሲ-ወከፍ ዓመት ናይ ገዛእ ርእሳ ብድሆታትን ዕድላትን ሒዛ ከምእትመጽእ፡ ዓመተ 2020 ከኣ ብለበዳ ኮቪድ -19 ትናወጽ ምህላዋ ጠቒሱ። እዚ ኤርትራ እትርከቦ ዞባ፡ ብተኸታታሊ ለበዳ ኣንበጣን ለመምቲ ባልዕን ርኡይ ምምዝባል ክሊማን ዝናብን ሓደጋ የንጸላሉዎ'ዩ። እንተኾነ ኤርትራ፡ ነቲ ባህርያውን ሰብ-ሰርሖን ብድሆታት ሕርሻ፡ ከም ወትሩ ህዝቢ፣ ሰራዊትን ክኢላታትን ኣኽቲታ ትገጥሞን፡ ንሕርሻ፡ ካብ ያታዊ ኣገባብ ማሕረስ ናብ ዘመናውን ንግዳውን ሕርሻ ንምስግጋር ትጽዕር ከም ዘላን ዘረደእ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ዓለምና ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ቀጻልነት ዘለዎ ውሑስ መኣዛዊ መግቢ ንምርግጋጽን ክትሰርሕ እኳ እንተጸንሐት ሎሚ እውን እንተኾነ ናብቲ ዝድለ ሸቶ ንምብጻሕ ነዊሕ ጉዕዞን መገድን ምኻድ ከምዘድሊ ኪኢላታት እቲ ዓውዲ ይገልጹ። ከምቲ ኣብ መልእኽቲ ምኒስትሪ ሕርሻ ተነጺሩ ዘሎ፡ ንሕርሻ ካብ ያታዊ ናብ ዘመናውን ንግዳውን ሕርሻ ንምስግጋር ዝካየድ መስርሕ ንባዕሉ ከቢድ ጻዕርን ግዜን ዝሓትት እዩ። እንተኾነ እቲ ናይ ምስግጋር መስርሕ እውን ብግዜ ክድረትን ክድረኽን ከምዝግባእ መዓስ ክንደየናይ ስጉሚ ትኸይድ? መዓስከ እቲ ደረተ ትርኢት ተስፋ ወይ ፍረ እቲ ጅማረ ትርእዮ? መዓስ’ከ ነቲ ራኢ ትበጽሖ? ክንጸር ይግባእ። ካብኡ ተረፈ “ንፍትን ኣሎና፤ ንጽዕር ኣሎና ክበሃል 30 ዓመት ዝወስድ እንተኾይኑ፡ እቲ ጉዕዞ ክኽለስን ክግምገምን እዩ ዝግባእ” ክብል ኪኢላ ሕርሻ ዶክተር ተኽለ ሰሎሞን ሓቢሩ። ዓለም ዓመታዊ ንኹሉ ዝኣክል መግቢ ከተፍሪ እኳ እንተጸዓረት ገና ግን ኣስታት 800 ሚልዮን ህዝቢ ዓለም ጠምዮም ይሓድሩ። እዚ ማለት ከኣ ሓደ ካብ ዓሰርተ ሰባት ይጠሚ ማለት እዩ። ካብኣቶም ከኣ 60 ሚኢታዊት ደቀንስትዮ እየን። እቶም 80 ሚኢታዊት ካብቶም ብጥሜት ዝተጠቕዑ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዝነብሩን ብሕርሻ ዝነባበሩን እዮም። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ካብቶም ብሕማም ዓሶ፡ ሕማም ዓባይ ሰዓልን ኤችኣይቪ ኤይድስን ዝሞቱ ሰባት እቶም ብጥሜት ዝሞቱ ከምዝበዝሑ መጽናዕቲ ሕቡራት ሃገራት የረድእ። ሞት ኣስታት 45 ሚኢታዊት ሕጻናት ዓለምና ከኣ ብዓጸቦን ስእነት ዝተመጣጠነ መግቢ ከምዘጋጥም ሊቃውንቲ እቲ ዓውዲ ይሕበሩ። ዓለምና፡ ብኣህጉር ደረጃ ንዘጋጥም ዓጸባ ንምግጣም ዓመታዊ 3.5 ትሪልዮን ዶላር ኣመሪካ ተውጽእ። ኣስታት 1.9 ቢልዮን ማለት ዳርጋ ልዕሊ ርብዒ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም፡ ልዕሊ ንቡር ክብደት ወይ ክራሸ ኣለዎ። ክርሸት ከኣ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ንሕማማት ሽኮርን ደም ብዝሕን ዘኸትል ምዃኑ፡ ብውሕስነት መግብን መኣዛዊ መግብታትን ዝዛረብ መርበብ ሓበሬታ ካኒ ይገልጽ። እቲ ዘሕዝን ግን ዓለማዊ ሕጽረት መግቢ እናጋጠመ፡ ካብቲ ዝፈሪ መግቢ፡ እቲ ሓደ ሲሶ ንብላሽ እዩ ዝባኽን። ብፍላይ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ዓለም መዓልታዊ ዝጓሓፍ መግቢ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ቶናት ከምዝግመት ይንገር። ዓለምና ነቲ ብቐጻሊ ዝውስኽ ዘሎ ብዝሒ ህዝቢ ንምምጋብ ኣብ 2050 ካብዚ ሕጂ ዝፈሪ ዘሎ መግቢ 60 ሚኢታዊት ዝያዳ መግቢ ከምዘድልያ ሰነዳት ዓለማዊ ውድብ መግብን ሕርሻን የረድእ። ንሕርሻ ክሊማዊ ለውጢ ካብ ዘስዕቦ ናይ ዝናብ ምምዝባል ንላዕሊ ዝጸልዎን ዘሻቕል ነገር ስለዘይህሉ ነብሲ ወከፍ ገባራይ ገረብ ካብ ምቑራጽ ክቑጠብ፡ ብዓቕሙ ከባቢኡ ክከናኸንን ክሕሉን ክምከርን ክሕበርን ከም ዝግባእ ዶክተር ተኽለ ይሕብር። ዓለማዊ ውድብ መግብን ሕርሻን ኣብ 130 ሃገራት ዓለም፡ ዝበዝሕ ኣብ ገጠራት ጥሜት ንምውጋድን ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽን ምስ መንግስታት፡ በርጌሳዊ ማሕበራት፡ ብሕታዊ ትካላትን ካልኦት መሻርኽትን ይሰርሕ። ኣብ መወዳእታ ከኣ እቲ ትካል፡ ጥሜትን ዓጸቦን ንሱ ዘስዕቦ ሕማምን ሞትን ንምውጋድ፡ ብውልቀ ሰባት ማሕበራትን ኮማትን ዝድገፍ ዓለማዊ ጻዕሪ ከምዘድሊ ይገልጽ። ብተወሳኺ፡ ብኸንቱ ዝጉሓፍ መግቢ ንምንካይን እቶም እኹል መኣዛታት ዘይረኽቡ ሰባት እኹል መኣዛዊ መግቢ ንክረኽቡን ዝምልከቶም ኣካላት ጠለባቶም ንምምላእ ብደረጃ መንግስትን መሻርኽቲ ኣካላትን ተወሳኺ ወፍሪ ክግበር ከም ዝግባእ የዘኻኽር።","category":"ደርቂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54624600"} {"headline":"ዕስራ ዓበይቲ መራሕቲ ዓለም ብዛዕባ ክሊማን ኮቪድ-19ን ይዝትዩ ኣለው","content":"ድሕሪ ለቨዳ ኮቪድ፡ ንመጀመርታ እዋን መራሕቲ እተን ብG20 ዝፍለጣ ብቑጠባ ዝሃብተማ ሃገራት ዓለም ትማሊ 30 ጥቅምቲ 2021 ኣብ ሮማ -ኢጣልያ ገጽ ንገጽ ተራኺቦም ብዛዕባ ኮቪድን ክሊማን ይዝትዩ ኣለው። ይኹን እምበር፡ መራሒ ቻይና ሺ ጂንፒንግን ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ከካብ ቤተ መንግስቶም ብማንዛ ርክብ ብቪድዮ እዮም ዝሳተፉ ዘለው። እቲ ኣኼባ፡ ‘ነዳዲ ዓለም ቀንዲ ጠንቂ ብከላ ስለዝኾነ ክጎድል ኣለዎ’ ዝበሃለሉ ዘሎ ግዜ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ብከላ ኣየር ብዛዕባ መጻኢ ወለዶ ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ስለዘሎ ነብሲ ወከፍ ሃገር ብዝቐልጠፈ ግዜ ናብቲ ውሑስ ዝበሃል ካብ ንፋስን ጸሓይን ዝርከብ ምንጪ ጻዓት ክትሰግር ጻውዒትን ምሕጽንታን ይግበር ኣሎ። እተን ብ19 ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ዝቖማ ሃብታም ሃገራት ዓለም፡ 80% ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ካርቦን ዳይኦክሳይድ የመንጭዋ። ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ለውጢ ኩነታት ኣየር \"ንደቂ ሰብ እቲ ዝዓበየ ስግኣት\" ከም ዝዀነ ብምግላጽ ፡ \"ንስልጣነን ብልጽግናን ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ዘሰምብድ ዕንወት ከኸትል ከምዝኽእልን\" ሓቢሩ። ኣኼባ ጉጅለ ዕስራ ኮነ እቲ ኣብ ግላስኮ ዓባይ ብሪጣንያ ዝግበር ኮፒ-26 ዝተሰምየ ኣኼባ፡ ንምውሳኽ ሙቐት ዓለም ደው ከብሎ ከም ዘይክእል እኳ እንተ ተኣመነ፡ ግቡእ ስጉምቲ እንተ ተወሲዱ ግና፡ \"ነቲ ዝውስኽ ዘሎ ሙቐት እዛ ፕላነት ክንክዮ ይኽእል እዩ \" ኢሉ ። እቲ ብጉጅለ-20 ዝተዳለወ ረቂቕ፡ እቲ 1.5C (2.7F) በጺሑ ዘሎ ሙቐት ዓለም ንምንካዩ ክሰርሕ ምዃኑን ኩለን ሃገራት ትርጉም ዘለዎ ውጽኢታዊ ንጥፈታት ከምዘድልየን ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ይሕብር። እቲ ረቂቕ ኣዋጅ እተን ዝማዕበላ ሃገራት ነተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ጸገማት ኩነታት ኣየር ንምፍታሕ ክሳብ 2025 ካብ ህዝባውን ብሕታውን ምንጭታት ዓመታዊ 100 ቢልዮን ዶላር ገንዘብ ከምዘድሊ፡ ግን ከኣ ክሳብ 2009 እተን ሃብታማት ሃገራት እቲ ዝተነብረለን ሓደራ ክፍጽማ ከምዘይከኣላ ይጠቅስ። ኮቪድ፡ ማዕርነታዊ ክታበት ኣብ አእምሮ ኩሎም መራሕቲ ዓለም ከምዝህሉ ርዱእ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ማርዮ ድራጊ፡ ክሳብ ሕጂ ካብቲ ንመላእ ዓለም ዘድልን ዛጊት ክወሃብ ዝጸንሐ ልዕሊ ሽዱሽተ ቢልዮን ዶዝ ክታበት ኮቪድ ዛጊት 3% ጥራሕ ናብ ድኻታት ሃገራት ምኻዱ \"ብሕልናን ስነ-ምግባርን ቅቡል ኣይኰነን\" ኢሉ ። ክሳብ መፋርቕ ዝመጽእ ዓመት 70% ካብ ህዝቢ ዓለም ክታበት ንኽረኽቡ ኩላትና መራሕቲ \"ዝከኣለና ኩሉ ንግበር\" ክብል ተላብዩዎም። ቀረጽ ፥ እቲ ጉጅለ ብ140 ሃገራት ዓለም ዝተደገፈ ብዓለም ደረጃ ዝተሓተ መጠን ትካላዊ ቀረጽ እንተወሓደ 15% ክኽትም ትጽቢት ይግበረሉ። እቲ ኣብ 2023 ክውን ክኸውን ዝጽውዕ ሰነድ ሓበራዊ ስምምዕ (ረቂቕ ኮምዩኒኬ) እተን ኣብኡ ዝተኣከባ ሃገራት ብዛዕባ እዚ ውጥን ሰፊሕ ምርድዳእ ገይረን ኣለዋ። ኢራን፣ ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጆ ባይደን፣ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሚስተር ጆንሰን፣ ከምኡ ድማ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑዌል ማክሮንን ቻንስለር ጀርመን ኣንገላ መርከልን፡ ብዛዕባ ኑክሌራዊ ሓይሊ ጉዳይ ኢራን ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ንምምይያጡ እዮም ተባሂሉ።","category":"ደርቂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59108346"} {"headline":"ኣብ ሶማልያ ብሚልዮን ዝቑጸሩ ሰባት ንሓደጋ ጥምየት ተቓሊዖም","content":"ኣብ ሶማልያ፡ ብምኽንያት ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ሕማቕ ኩነታት ኣየርን ዋሕዲ ዝናብን፡ ኣብዚ ዓመት ብሚልዮን ዝቑሩ ሰባት እኹል ምግቢ ከምዘይረኽቡ ትካል ገባሪ ሰናይ ገሊጹ፡፡ ገባሪ ሰናይ ትካል ‘ሴፍ ዘ ችልድረን’ ከምዝገለጾ፡ ኣብዚ ወቕቲ ፍርያት ኣዝርእትን ኣሕምልትን ብ 80 ምኢታዊት ክንክይ ከምዝኽእል ትጽቢት ይግበር፡፡ ብተመሳሳሊ ቀንዲ ምርኩስ ኢኮኖሚ እታ ሃገር ዝኾነ ካብ መሸጣ እንስሳት ዝርከብ ኣታዊ እውን ብ 55 ምኢታዊት ክቕንስ ይኽእል እዩ፡፡ እቲ ትካል ከምዝለጾ ኣዴታት፡ ንደቀን ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዘ ምግቢ ንምቕራብ ኣዝየን ተጸጊመን አለዋ፡፡ ድሮኳ ገለ ህጻናት ብሕጽረት ምግቢ ተጠቒዖም ኣለዉ፡፡ ኣብዚ ዓመት፡ ኣብ ደቡባዊ ሶማልያ ዝርከቡ ድኻ ስድራቤታት ካብ ዝዘርእዎ 15 ምኢታዊት ጥራሕ ንቐለቦም ክረኽቡ ከምዝኽእሉ እዮም ገምጋማት ዘመልክቱ፡፡ ኣብ ካልኦት ከበድቲ እዋናት ብውሑድ ፍርቂ ቐለቦም ካብቲ ዝዘርእዎ ይረኽቡ ነይሮም፡፡ ብምኽንያት ንነዊሕ ዓመታት ኣብታ ሃገር ዝጸንሐ ምንቅስቓስ እስላማውያን ዕጡቓት፣ ዘይርጉእ ፖለቲካን ድኹም ማእከላዊ መንግስትን ህይወት ሶማላውያን ከቢድ ክኸውን ገይሩዎ እዩ፡፡ ንኣስታት 30 ዓመታት ዝጸንሐ ኲናት ሓድሕድ እታ ሃገር፡ ኣብ መሰረተ ልምዓት ከቢድ ዕንወት ዘብጸሐ ኮይኑ፡ ምስ ተፈጥሮኣዊ ጸገማት ተደሚሩ መነባብሮ ዜጋታት እታ ሃገር ክትሕተ ገይሩ፡፡ ብተወሳኺ ኣልሻባብ ዝተባህለ እስላማዊ ጉጅለ፡ እታ ሃገር ናብ መገዲ ሰላም ከይትኣቱ ካብ ምግባር ሓሊፉ ብዝፍጽሞም መጥቃዕቲታት ህይወት ብዙሓት ሰባት እናቐዘፈ ይርከብ፡፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝድገፍ ማእከላዊ መንግስቲ እታ ሃገር እንተኾነ እውን፡ ኣብ ውሽጡ ብዝፍጠሩ ፖለቲካዊ ፍልልያት ዝተወጠረ ብምዃኑ ነታ ሃገር ካብ ብዕጡቓት ንዝፍኖ መጥቃዕትን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋን ከድሕና ኣይኣለን፡፡","category":"ደርቂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56721231"} {"headline":"ቴክኖሎጂ፡ ጉግል ናይ ሕርሻ መሬት ዝሕልው ሮቦታት ይሰርሕ ኣሎ","content":"የማናይ ኢድ ኩባንያ ጉግል ዝኾነ ኣልፋቤት ኣብ ተሓራሳይ መሬት ብምውፋር ኩነታት ነፍሲ ወከፍ ዘራእቲ ዝከታተሉን ህይወት ሓረስቶት ዘዘምኑን ሮቦታት ወግዓዊ ገይሩ። እዞም ሮቦታት ኣብ ላዕሊ ኮይኖም ክከታተሉ ዝኽእሉ ኮይኖም፡ ኩነታት ተፈጥሮኣዊ ዕብየት እቶም ኣትኽልቲ ብዘይጻባእ መልክዑ ስርሖም ክሰርሑ ዝኽእሉ'ዮም። እቲ ኩባንያ ከም ዝበሎ፡ ቀንዲ ዕላማ እዞም ሮቦታት ብዛዕባ እቶም ኣትኽልቲ እኹልን ዘተኣማምንን መረዳእታ ምእካብ እዩ። ሓላፊ እቲ ፕሮጀክት ኤሊየት ግራንት \"እዞም ሮቦታት ዓውዲ ሕርሻ ብምዝማን ንመጻኢ ዝህልወና ኣነባብራ ዘመናዊ ክኸውን ከም ዝገብሩ ንኣምን\" ኢሉ። ኣብ ዓለም ዘሎ ሕጽረት መግቢ ንምፍታሕን ዘላቒ ዝኾነ ውጽኢት ሕርሻ ንምፍጣርን እዞም ሮቦታት ሕጂ ናብ ስራሕ ክኣትው ከም ዝተገብረ ጉጅለ እቲ ምርምር ይገልጽ። ይኹን'ምበር ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘለው ናውታት እቶም ሓረስቶት ዘድልዮም ሓበሬታ መሊኦም ዘቕርቡ ኣይኮኑን። \"ነፍሲ ወከፍ ተኽሊ ክንደይ ዝኣክል ማይን ንጥረ ነገርን ድልዮ ዝብል ምፍላጥ እንተኽኢልና፡ ከምኡ'ውን ኣየናይ ኣበይ መቺዎዎ ክዓቢ ይኽእል ዝብል ሕቶ ክንምልስ እንተኽኢልና፡ እቲ ሕርሻ ውጽኢታዊ ብዝኾነ መልክዑ ለዊጥናዮ ኣለና ማለት'ዩ\" ይብል ኤሊየት። ብተወሳኺ ሓረስቶት ሮቦታት ብዛዕባ ትሕዝቶ ሓመድን ኩነታት ኣየርን እኹል ሓበሬታ ክህልዎም ስለ ዝኽእልን፡ እቶም ሮቦታት ድማ እቲ ተኽሊ ብክንደይ ዝኣክል ቅልጣፈ ይዓቢ ምህላው ከርእዩ ብዝኽእል መልክዑ ተዳልዮም ኣለዉ። እቲ በዓል ሞያ፡ \"ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ እዞም ሮቦታት ኣብ ካሊፎርኒያን ሶይቢን ዝርከቡ ናይ ኢንጆሪ ሕርሻ መሬት፡ ብዛዕባ እቶም ዝባጽሑ ዘራእቲ ግልጺ ዝኾነ ምስሊ ክንረክብ ሓጊዞም'ዮም። ብተወሳኺ ክንደይ ዝኣክል ንጥረ ነገር ከም ዝተጠቐሙን ክንደይ ዝኣክል ናይ ጽሓይ ብርሃን የድልዮምን ዝብል መረዳእታ ረኺብና ኢና\" ኢሉ። እንተኾነ፡ እዞም ሮቦታት ብጉዳይ ሃገራዊ ድሕነትን ስለያን ተነቀፍቲ ኮይኖም ኣለው። ምኽንያቱ መንግስታት እቲ መረዳእታ ከመይ ከም ዝእከብን ኣብ ጥቕሚ ከም ዝውዕልን ክፈልጡን ክቆጻጸሩዎን ምድላዮም ኣይተርፍን። እቲ ኩባኒያ ከም ዝብሎ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣርጀንቲና፣ ካናዳ፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ኣብ ምድቓል ዘርኢ ምስ ዝተዋፈሩ ሓረስቶት ይሰርሕ ኣሎ።","category":"ደርቂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54555418"} {"headline":"ኤርትራን ኬንያን ክልተኣዊ ስምምዕ ተፈራሪመን","content":"ካብ ትማሊ ጀሚሩ፡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዘገረሉ ዕድመ ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዘካየደ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ድሕሪ ክልተኣዊ ዘተ ውዕል ከምዝተፈራረሙ ሚኒሰትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቐል ብትዊተር ሓቢሩ። እቲ ክልተኣዊ ስምምዕ፡ ኣብ ዛባውን ንግዳውን  ጉዳያት ዘተኮረ ሰለስተ ክፋላት ዝሓዘ’ዩ። ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት፡ ክልተኣዊ ርክባት ክሕይልን ህዝቢ ምስ ህብዚ ዝህልዎ ርክባት ክድልድልን ተሰማሚዖም። ነዚ ንምግባር ዜጋታት ክልቲኦም ሃገራት ካብን ናብን እተን ሃገራት ኣብ ዝገብርዎ መገሻታት ብዘይ ቪዛ ክንቀሳቐሱ ዘኽእል ባይታ ክጣጣሕ ከምዘለዎ ተሰማሚዖም። ኬንያን ኤርትራን ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብመንፈስ ‘ፓን ኣፍሪካኒዘም ‘ ብዕቱብ ክተሓባባራ ምዃነን’ውን ኣብቲ ዝርዝር ሰፊሩ ኣሎ። ፕረዚደንት ኢሳያያስ ኣፈወርቅን ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶን፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፡ ሰላምን ጸጥታን ንምሓስን ንምዕባለን ኣብ ዞባዊ ውህደት ብሓባር ክሰርሑ ተሰማሚዖም ኣለዉ። ኣብ ንግዳዊ ጉዳያት ኣብ ዝምልከት፡ ክልቲአን ሃገራት ብመሬት፡ ብባሕርን ብኣየርን ዝግበር ንግዳዊ ርክባት ከጎልብታ ምዃነን’ውን ተሰማሚዐን ኣለዋ። ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶን ምስኡ ዝተጉዓዙ ሰብ መዚ ኬንያን ኣብ ኤርትራ ዝገበርዎ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ወዲኦም ሎሚ ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ካብ ኤርትራ ተፋንዮም ኣለዉ። ኣብ ታሕሳስ 2018 ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኬንያ ድሕሪ ምብጽሑ፡ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ከኣ ኣብ መጋቢት 2019 ኣብቲ እዋን ኣብ ስልጣን ዝነበረ ፕረዚደንት ኬንያታ ናብ ኣስመራ በጺሑ ነይሩ። ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት ክዝሕልን ክመውቕን ምጽንሑ ይግለጽ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ምስ ኢትዮጵያን ሶማልያን ጸጥታዊ ስምምዕ ምፍራሙ ይዝከር። እዚ ምስ ኬንያ ተጀሚሩ ዘሎ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ምብጽጻሕ ነዚ ምትሕብባር'ዚ ንምስፋሕ ዝዓለመ ክኸውን ከምዝኽእል ከኣ ይግመት። ኤርትራ ኣብ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ዝነበራ እምነት እናጎደለ ብምምጽኡ፡ ሓድሽ ዞባዊ ተበግሶታት ክትወስድ ትህቅን ከምዘላ ተንተንቲ ይገልጹ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c295873x72jo"} {"headline":"ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ዩጋንዳ ጀነራል ሙሆዚ ካይነሩጋባ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ","content":"ኣዛዚ ሓይሊ ምድርን ወዲ ፕረዚደንት ዩጋንዳን ዝኾነ ጀነራል ሙሆዚ ካይነሩጋባ ካብ ስልጣኑ ከምዝተኣለየ ተፈሊጡ’ሎ። ይኹን እምበር ኣብ ሰራዊት ዩጋንዳ ዝለዓለ መዓርግ ዝኾነ ሽመት ምሉእ ጀነራል ረኺቡ እዩ። ኣብ ፍሉይ ስርሒታት ፕረዚደንታዊ ኣማኻሪ ኮይኑ ከምዝቐጽል’ውን ተሓቢሩ። እቲ ጀነራል ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ንኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ብዛዕባ ጎረባብቲ ሃገራት ብዝህቦ ርእይቶታት ኣዘራራቢ ኮይኑ እዩ ቀንዩ። እንተኾነ ግና እቲ ካብ ስልጣኑ ምእላዩ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘርግሖ ርእይቶ ቀጥታዊ ርክብ እንተለዎ ንጹር ኣይኮነን። ኣብ ሶማልያ ዝነበሩ ልኡኽ ሰራዊት ኡጋንዳ ዝመርሐን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ምስ ዝርከቡ ዓመጽቲ ሕብረት ዲሞክራስያዊ ግንባር (Allied Democratic Front) ዝዋጋእ ዘሎ ጕጅለ ዝመርሕ ጀነራል ካያንጃ ሙሃንጋ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ምድር ኮይኑ ተመዚዙ'ሎ። ጀነራል ሙሆዚ ካይነሩጋባ፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ንትግራይን ኬንያን ዝመልከቱ ኣካታዕን ኣዘራረብትን ጽሑፋት ክዝርግሕ ከምዝጸንሐ ይዝከር። እቲ ጀነራል ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ትዊተር፡ ንሓይልታት ትግራይ ከምዝድግፍ ዝገልጽ ጽሑፍ ለጢፉ ነይሩ። እንተዀነ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ዩጋንዳ ኣብ ወርሒ ሓምለ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ጽሑፍ ንምክልኻል ዩጋንዳ ከምዘይውክል ብምሕባር ውልቃዊ ርእይቶኡ ከምዝዀነ ምግላጹ ዝዝከር እዩ። እቲ ጀነራል ሕጂ’ውን ንትግራይን ኬንያን ንካልኦት መራሕቲ ሃገራትን ዝምልከቱ ጹሕፋት ምዝርግሑ ስዒቡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዘራራቢ ኮይኑ ቀንዩ። ጀነራል ሙሆዚ ካይነሩጋባ፡ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ንምቁጽጻር ንዕኡን ንሰራዊቱን ክልተ ሰሙን ጥራይ ከምዝወስደሎም ብሰኑይ ኣብ ትዊተሩ ዘስፈሮ ጽሑፍ ድማ ኣብ ልዕሊ ኬንያውያን ቅረታ ኣልዒሉ ኣሎ። ሰንበት 22 መስከረም 2015 ዓ.ም (ግእዝ) ኣብ ትዊተር ገጹ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ \"ትግራይ ኩሉ ግዜ ኣብ ልበይ እያ ዘላ! ንትግራይ ከፍቅርን ክሕልዋን ካብ ፈጣሪይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዋህበኒ ትእዛዝ እዩ\" ኢሉ። እቲ ወዲ 48 ዓመት ጀነራል ድሕሪ ዝተወሰኑ ሰዓታት ድማ \"ሚኒሊክ ዳግማዊ ኣቦሓጎና እዩ። ኢትዮጵያ ኣካል ምብራቕ ኣፍሪቃ እያ። ክትዓኑ ኣይንፈቅድን። ንኹሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነፍቅር!\" ኢሉ ካልእ ጽሑፍ ዘርጊሑ። ነዚ ስዒቡ ብፍላይ ኣብ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያውያን መዛረቢ ከምዝኾነ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ዝዝርግሑ ጽሑፋት የመልክቱ። እቲ ጀነራል ኣብ ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ንሓይልታት ትግራይ ከምዝድግፍ ኣብ ትዊተር፡ \"ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ . . . ነቲ ዕላማኹም ይድግፎ እየ። ንተጋሩ ኣሓትና ዝደፈሩን ንኣሕዋትና ዝቐተሉን ክቕፅዑ ኣለዎም\" ክብል ከምዝጸሓፈ ይዝከር። ኮይኑ ግን መንግስቲ ኡጋንዳ፡ እቲ ርእይቶ ናይቲ ጀነራል ከምዝኾነን ንመርገጺ ሰራዊት ዩጋንዳ ከምዘይውክልን መግለጺ ኣውጺኡ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ በቲ ጽሑፍ ቅረትኡ ዝገለጸ ዂይኑ፡ እቲ ጀነራል ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃገሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዑደት ኣካይዱ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ እውን ከምዝተራኸበ ይዝረብ። እቲ ነኣቡኡ ዮወሪ ሙሰቨኒ ብምትካእ ቀጻሊ መራሒ ኡጋንዳ ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ጀነራል ካብ ትማሊ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ መንጎ ኬንያውያን’ውን ኣዘራርቢ ኮይኑ’ሎ። \"ኣነን ሰራዊተይን ንርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ንምሓዝ ክልተ ሰሙን ይኣኽለና'ዩ\" ኢሉ። “ሰራዊትና ንናይሮቢ ምስ ሓዘ ኣበይ ምንባር ክጅምር ኣለኒ? ዌስትላንድስ ድዩ ወይስ ሪቨርሳይድ?” ክብል ኣብ ናይሮቢ ዝርከቡ ከባቢታት ብምጥቃስ ኣብ ትዊተር ገጹዝዘርግሖ ጽሑፍ ንኬንያውያን ዘሐጎሰ ኣይነበረን።። ብቲ ጽሑፍ ዝተቖጥዑ ኬንያውያን ሙሰቨኒ ዝለበሶ ክዳን ብምጥቃስ \"መጀመርታ ሰፋይ ክዳን ኣቦኻ ተቖጻጸር\" ብምባል መልሲ ሂቦም። ብተወሳኺ ኬንያውያን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ነቲ ጀነራል ክነቕፍዎ ዝጸንሑ ኮይኖም፡ ገሊኦም ግን እቲ ጀነራል ስልጣን ኣቡኡ እንተሒዙ፡ ንሃገሮም ስግኣት ክኾኑ ከምዝኽእል ጽሒፎም ኣለዉ። ካልኦት ድማ ኣብ መንጎ ኬንያን ኡጋንዳን ንዘሎ ዲሞክራሲ ብምንጽጻር፡ ስድራቤት ሙሰቨኒ ኡጋንዳውያን ዲሞክራሲ ከይረኽቡ ገይሮም ብምባል ነቒፎም። መንግስቲ ኬንያ ይኹን ሰበስልጣን ኡጋንዳ ግን ብዛዕባ እቲ ጀነራል ዝሃቦ ርእይቶ ብወግዒ ርእይቶ ኣይሃቡን። እቲ ጀነራል በዚ ከይተገደበ ንፕረዚደንት ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ዝምልከት ጽሑፍ’ውን ዘርጊሑ እዩ። “ምስቲ ዝፈትዎ ዓቢ ሓወይ ዘለኒ እንኮ ጸገም ንሳልሳይ ዙር ዘይምውድዳሩ እዩ። ብቐሊሉ ክንዕወት ንኽእል ኔርና\" ክብል ጽሒፉ። ብመሰረት ቅዋም ኬንያ ሓደ ፕረዚደንት ክልተ እዋን ጥራይ እዩ ከገልግል ዝኽእል። ብመሰረት እዚ ኡሁሩ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ከይተሳተፈ ካብ ስልጣኑ ከምዝለቐቐ ይዝከር። ኣዛዚ ሰራዊት ኡጋንዳ ኣብ ቐጻሊ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጣልያን ክትከውን ትጽቢት ዝግበራላ ጓል ኣንስተይቲ ፖሊቲከኛ ጂዮርጂ ሜሎኒ ዝምልከት ካልእ ኣዘራራቢ ጽሑፍ ዘርጊሑ እዩ። ኣብቲ ናይ ትዊተር ጽሑፉ \"ንቀጻሊት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጣልያን ክንደይ ከብቲ ክትህቡ ትኽእሉ?\" ኢሉ ይሓትት። ወሲኹ’ውን “ኣውሮጳውያንነተን ዝፈትውወን ኣንስቲ ዕምባባ ይህብወን።ኣብ ባህሊ ሃገረይ ግን ነተን ንፈትወን ኣንስቲ ከብቲ ኢና ንህበን\" ክብል ስእሊ ገዚፍ ቀርኒ ዘለወን ከብቲ ገይሩ ኣብ ትዊተርዘርጊሑ። ቅድሚ ሕጂ፡ ኣምባሳደር ጣልያን ኣብ ኡጋንዳ፡ ዋጋ ገዝሚ ክደራደር ከምሽማግለ ከም ዝመረጸ ጽሒፉ ከምዝነበረ ተጸብጺቡ ነይሩ። እቲ ኣዛዚ ሓይሊ ምድርን ወዲ ፕረዚደንት ዩጋንዳን ዝኾነ ጀነራል ሙሆዚ ካይነሩጋባ ዝህቦ ርእይቶ ኣዘራራቢ ካብ ምዃን ሓሊፉ ቁጥዐ ይፈጥር ኣሎ። ብፍላይ ኣብ ትዊተር ብዝሃቦ ኣካታዕን ፖለቲካዊ ርእይቶታት ብዙሕ ተኸታተልቲ ይረክብ ኣሎ። በዚ መንጽር፡ ዕላምኡ ኣዘራራቢ ብምዃን ብርክት ዝበሉ ተኸታተልቲ ምርካብ እዩ ዝብሉ ሰባት ኣለዉ። መንግስቲ ኡጋንዳ ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ትዊተር ናይቲ ጀነራል ስቕ ክብል ይመርጽ። ሓደ ሓደ ግዜ ግን ርእይቶ ናይቲ ጀነራል ርእይቶ ናይ ሓደ ውልቀሰብ እምበር መርገጺ መንግስቲ እታ ሃገር ከምዘይኮነ ይገልጽ። ንኣብነት ነቲ ንኬንያ ዝምልከት ርእይቶ፡ ምላሽ ዝሃበሉ ይመስል። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኡጋንዳ፡ ሰሉስ መስከረም 24\/2015 ዓ.ም. ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ “ጎረቤት ኣሕዋትና\" ኬንያ \"ዘሎ ድልዱል ክልተኣዊ ዝምድና\" ነኽብር ኢና ይብል። ዩጋንዳ፡ ምስ ዝኾነት ሃገር ብማሕበራዊ መራኸቢታት ወግዓዊ ርክብ ከምዘይትገብር እውን እቲ መግለጺ ይሕብር።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cqvz5qqvjvvo"} {"headline":"ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ፡ ናብ ናይሮቢ፡ ፕሪቶርያን ኣዲስ ኣበባን መገሻ ጀሚሩ","content":"ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ጠጠው ክብልን ብቕልጡፍ ልዝብ ክጅመርን ንምድጋፍ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ጕዕዞኡ ጀሚሩ። ማይክ ሃመር፡ ካብ ሰኑይ 23 መስከረም ክሳብ 8 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም [ግእዝ] ንክልተ ሰሙን ኣብ ዝገብሮ መገሻ ናብ ኬንያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን ከምዝበጽሕ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ። ኣብ ዝሓለፈ ሰነ፡ እቲ ሓላፍነት ዝተረከበ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፡ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ ሰለስተ ግዜ ናብቲ ዞባ ብምምልላስ፡ ሰላም ንምምጻእ ጻዕሪ ይገብር ኣሎ። እቲ ፍሉይ ልኡኽ፡ ኣብ መወዳእታ ነሓሰ እቲ ኣብ መንጎ መንግስትን መራሕቲ ትግራይን ዝጸንሐ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ተኹሲ ደው ምባል ተጣሒሱ፡ ኲናት ምስተጀመረ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ መፂኡ ንልዕሊ ዓሰርተ መዓልቲ ከምዝፀንሐ ዝዝከር እዩ። ብመሰረት ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣምባሳደር ሓመር ሕዚ ናብቲ ከባቢ ዝገብሮ ዘሎ መገሻ፡ ኣካል ናይቲ ኣሜሪካ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብቕልጡፍ ደው ክብልን ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዘተ ክጅመርን እትገብሮ ዘላ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ'ዩ። ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ብምስያም፡ እቲ ኲናት ብዘተ ንምፍታሕ ንነዊሕ እዋን ክጽዕር’ኳ እንተጸንሐ፡ ዛጊድ ፍረ ኣየተረኽቦን። ብፍላይ ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሕብረትን ኦባሳንጆን ሕቶታት ኣልዒሎም፣ ዘይሻራዊነቶም ኣይተቐበልዎን ጸኒሖም። መራሕቲ ትግራይ፡ ድሒሮም ሽምግልና ሕብረት ኣፍሪካ ተቐቢሎም ንዘተ ድልዋት ምዃኖም ምግላጾም ይዝከር። ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ናብ ኢትዮጵያ ብምምፃእ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን እታ ሃገርን ከምኡ እውን ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘትዩ እዩ። ማይክ ሃመር፡ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝጸንሐሉ እዋን፡ ምስ ሰበስልጣን ኬንያ፡ ዓለምለኻዊ መሻርኽቲ፡ ኣብቲ ዞባ ሰላምን ሰብኣዊ ረድኤትን ንምቕራብ ጻዕሪ ዝገብሩን ካልኦት ዘይመንግስታውያን ትካላትን ተራኺቡ ክዘራረብ ምዃኑ ይግለጽ። ሃመር፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘሎ ኵነታት ብዝምልከት፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ድሕሪ ምክፋሉ እዩ፡ ናብ ኣፍሪቃ ተመሊሱ ዘሎ። እቲ ፍሉይ ልኡኽ፡ ድሕሪ ናይ ኬንያ ጻንሒቱ፡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶርያ ዘምርሕ ዀይኑ፡ ምስ ሰበስልጣን እታ ሃገር ብምዝታይ ነቲ ብመንገዲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ሰላም ንምድጋፍ ከምዝፍትን ይዝረብ። ሃመር፡ ዝሓለፈ መገሻኡ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ጻዕርታት ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣድላይነት ካልኦት ዓለምለኸ ሸምገልቲ ምሕዋስ ዝብል ሓሳብ፡ ኣስሚርሉ ነይሩ። ከምኡ ድማ፡ ስም ድላሚኒ ዙማ ዝተባህለት ፍሉጥቲ ፖለቲከኛ ደቡብ ኣፍሪቃን ኣቦ ​​መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ነበርን ጠቒሱ ነይሩ። ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፡ ነቲ ኲናት ደው ንምባልን ሃገራዊ ዕርቅ ንምዕዋትን ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ፡ ተሓታትነት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ጉዳይ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ካብቶም ዝለዓሉ ሕቶታት ከምዝዀኑ'ውን ተገሊፁ ኣሎ። ሳልሳይ ዲፕሎማት ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኰይኑ ዝተመዘዘ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ኣብ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ተራኺቡ እዩ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሃብ ዝተበጽሐ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ፡ ብ18 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ኣብቂዑ እዩ። እቲ ልኡኽ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝገብሮ ዘሎ መገሻ፡ እቲ ኲናት ዳግማይ ድሕሪ ምጅማሩ ንኻልኣይ ግዜኡ እዩ። ንኣመሪካ ሓዊሱ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለምለኸ ትካላትን፡ ኵለን ወገናት ካብ ግጭት ክቑጠባ ሓቲተን፡ ረድኤት ዘድልዮም ወገናት ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይገደብ ክበጽሖም ጸዊዐን እየን። ኲናት ትግራይ፡ ብ24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ተበጊሱ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተዘርገሐ ዀይኑ፡ ብሰንኩ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝፀሩ ሰባት ሞይቶም ኣማኢት ኣሽሓት ድማ ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ይግለጽ። ኩሎም ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሞም ተባሂሎም ብተደጋጋሚ ክኽሰሱ ዝጸንሑ ኮይኖም፡ ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት፡ ንጥሜት ተሳጢሖም ከምዝርከቡ ጸብጻባት ይሕብሩ። ሓድሽ ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብአዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ፡ ጥሜትን ጾታዊ ግህሰትን ከም መሳርሒ ኲናት ይውዕል ኣሎ ምባሉ ዝዝከር እዩ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cg31mjmdy1ko"} {"headline":"ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ዝተኣገደ ከኒና ቻይና ጸገም ይፈጥር ኣሎ","content":"ሱዛን ዋማይታ ቅድሚ ሓደ ዓመት ሕማም ክስምዓ ምስ ጀመረ፡ እቲ ክትወስዶ ዝጀመረት ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ ዘስዕቦ ጐድናዊ ሳዕቤን መሲልዋ ነይሩ። ከምኡ ግን ኣይነበረን፤ እንታይ ደኣ ናይ ሸሞንተ ሰሙን ነፍሰጾር እያ ነይራ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እታ ጓል 32 ዓመት ሱዛን ኣደ ሰለስተ ቈልዑ እያ። ኣይፈለጠትን እምበር እቲ ኣብ ሰነ 2021 ክትጥቀመሉ ዝጀመረት ከኒና ኣብ ኬንያ ተኣጊዱ እዩ። እዚ ኣብ ጐደናታት ኬንያ \"ሶፍያ\" ብዝብል ሰም ዝፍለጥ ፍርያት ቻይና ዝዀነ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ፡ ኣብ ውሽጢ መዐሸጊኡ ዘሎ ኵሉ ዝርዝር ሓበሬታኡ'ውን ብቛንቋ ቻይና ጥራይ ዝተጻሕፈ እዩ። ትርጕም ናይቲ ኣብ ቀዳማይ መስመር ዘሎ ጽሑፍ፡ \"ሌቮኖርጀስትረል ፋስት ኢስተራዲዮል ታብለትስ\" ከምዝሓዘ ይገልጽ። እቲ ከኒና \"ንነዊሕ እዋን ዝሰርሕ ኣፋዊ መከላኸሊ ጥንሲ\" ምዃኑ እቲ ካልኣይ መስመር ይሕብር። ብድሕሪኡ ኣብቲ ሳልሳይ መስመር፡ \"ዚዡ ፋርማስዩቲካልስ ኮ ሊትድ\" ዝብል ብዛዕባ ኣፍራዪ እቲ ክኒና ሓበሬታ ኣሎ። እቲ ጸገም ግን እቲ ክኒና ልዑል መጠን ሌቮኖርጀስትረል ዘለዎ ምዃኑ እዩ። እዚ ድማ፡ ካብቲ ዝምከር መጠን ልዕሊ 40 ዕጽፊ ዝዛይድ ሌቮኖርጀስትረል ኣለዎ ማለት እዩ። ብሰንኪ እዚ፡ መሸጣ እቲ ከኒና ቅድሚ 10 ዓመታት ብሰበስልጣን ኬንያ ተኣጊዱ እዩ። ሌቮኖርጀስትረል ኣብ ብርክት ዝበሉ ኣገባባት መከላኸሊ ጥንሲ ዝውዕል ሆርሞናዊ መድሃኒት እዩ። ሚኒስትሪ ጥዕና ብዛዕባ ርኽበታቱ ምሉእ ውጽኢት ቤተ-ፈተነ’ኳ እንተዘየካፈለ፡ እቲ ከኒና ከይሰርሐ ምትራፉን ጥንሲ ከም ዘጋጠመን ግን ይገልጽ። \"ከምዝተኣገደ ኣይፈልጥን ነይረ። ብዙሓት መሓዙተይ ይጥቀማሉ ነይረን፣ ዝዀነ ጐድናዊ ሳዕቤን ኣይነበሮን\" ትብል ሱዛን ዋማይታ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ። ንሳ’ውን ከም ብዙሓት ካልኦት ኬንያውያን ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ክኒና ዝመረጸትሉ ምኽንያት፡ ተመጣጣኒ ዋጋ ስለዘለዎን ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ ጥራይ ስለዝውሰድን እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ሶፍያ ዝበሃል ክኒን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ክገዝኣ ይኽእላ እየን። መብዛሕትኦም ኣቕረብቲ ብብዝሒ ኣይሸጡን። ዋጋ ሓንቲ ከኒና 2.50 ዶላር (ካብ 300 ክሳብ 400 ሽሊን ኬንያ) ይኸውን። ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ካልኦት ኣገባባት ውጥን ስድራቤት ድማ፡ እቲ መዓልታዊ ዝውሰድ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ ይርከብዎም። ናይ ሓደ ወርሒ ቀረብ ኣብ መንግስታዊ ሆስፒታላት ኣስታት 1.70 ዶላር ይኸውን። ግን ቀረብ መንግስታዊ ሆስፒታላት ኵሉ ግዜ ውሕስነት ስለዘይብሉ ደቂ ኣንስትዮ ድሕሪኡ ካብ ፋርማሲታት ብኣዝዩ ዝለዓለ ዋጋ ክገዝኣ ኣለወን። በዚ ምኽንያት ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣብ ሰብነት ዝትከል ሆርሞናዊ ሜላ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ማህጸን ዝቕመጡን ንሓያሎ ዓመታት ዝሰርሑ ዝተፈላለዩ ሜላታት እቶም ልሙዳት ኣማራጺታት ይዀኑ። ሆርሞናዊ ሜላ ብ5 ዶላር ዝግዛእ ክኸውን እንከሎ እቶም ኣብ ውሽጢ ማህጸን ዝቕመጡ ድማ ዋጋኦም ክሳብ 9 ዶላር ይበጽሕ። ኮንዶም ኣብ መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈታትን ሽቓቕን ብነጻ ዝቐርብ’ኳ እንተዀነ ሓደ ሓደ ግዜ ግን ይውዳእ እዩ። ይዅን እምበር ኣብ ድኳናት ምዕዳግ ይከኣል’ዩ። \"እቲ ዝጥቀሞ ዝነበርኩ ሆርሞናዊ ዘይኰነ T ቅርጺ ዘለዎ መከላኸሊ፡ ቃንዛ ሕቘ የስዕበለይ ስለ ዝነበረ፡ ንሱ ኣውጺአ ነቲ ከኒና ክጥቀም ወሲነ\" ክትብል ሱዛን ዋማይታ ትገልጽ። ‘ሶፍያ’ ንኽትጥቀም ዝመኸራኣ መሓዙታ፡ ዝዀነ ክብደት ሰብነት ዘይምውሳኸን'ውን መሲጥዋ’ዩ። እዚ፡ ነታ ክብደት ሰብነት ክትቅንስ ከም እትቃለስ ትዛረብ ሱዛን፡ ቁልፊ ረቛሒ እዩ። እንተዀነ፡ ነቲ ክኒና ክትወስድ ከላ ገና ካብ መጀመርታ ጀሚሩ ጽቡቕ ስምዒት ኣይተሰምዓን። ኣብ መጀመርታ ክልተ ከኒና ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ሓደ ከኒና ስለትወስድ፡ ኣካላታ ነቲ ሓድሽ መድሃኒት ንኽለምዶ ግዜ ከምዝወስድ ሓሲባ። \"ሕማም ርእስን ዕግርግር ዝብል ስምዒትን ክስምዓኒ ጀሚሩ። ኣብታ ቀዳመይቲ ወርሒ ወርሓዊ ጽግያተይ ኣይመጸንን\" ትብል ሱዛን። ኣብታ ዝቐጸለት ወርሒ፡ ጽግያታ ምስ መጸ ግን ኣይተጨነቐትን። ኣብ ሳልሳይ ወርሒ መሊሱ ምስ ቀረየ ጥራይ እያ ክትጭነቕ ዝጀመረት። ብድሕሪኡ በዓል ቤታ ብዛዕባ እቲ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ ክፍትሽ ምስጀመረ፡ ተኣጊዱ ከም ዝነበረ ፈሊጡ። \"ዝተኣገደ ከኒና ብምጥቃም ሰንቢድና። ጥንስቲ ምዃነይ ምስ ተረዳእኩ ድማ ብዛዕባ ኣብ ውላደይ ክህልዎ ዝኽእል ሳዕቤን ተሰኪፈ\" ትብል። ሕጂ ጥዕይቲ ጓል ሰለስተ ወርሒ ቈልዓ ኣላቶም፣ እንተዀነ እዞም መጻምድቲ ብሰንኪ ሕጽረት ሓበሬታን ጓሎም እናዓበየት ኣብ እትኸደሉ እዋን ክህልዎ ብዛዕባ ዝኽእል ጽልዋን ተረቢሾም ኣለዉ። ኣብ ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ካብተን ዘመናዊ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ዘድልየን ደቂ ኣንስትዮ እተን 50 ሚእታዊት ጥራይ ከምዝረኽባ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ይሕብር። ኣብ ኬንያ፡ ብሰንኪ ባህላውን ሃይማኖታውን እምነት እቲ ብተባዕታይ ዝተቐርጸ ሕብረተሰብ፡ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ ብግልጺ ኣይዛረብን። ገለ ደቂ ተባዕትዮ ኣንስቶም መከላኸሊ ጥንሲ ክጥቀማ ዘይፈቕዱ ክዀኑ እንከለው፡ ገለ ሃይማኖታት ድማ ይቃወማ እየን። ንኣብነት ኣብ ምብራቓዊ ኬንያ ዝርከብ ጕጅለ ምእመናን ካቮኖክያ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሎት ጥራይ እዩ ዝምዕድ ዝብል እምነት ስለ ዘለዎ ንዅሉ ዘመናዊ ሕክምና ይነጽግ። ክኢላ ብዝሒ ህዝብን ልምዓትን ዶክተር ጆሴፊን ኪባሩ፡ ዘመናዊ ኣገባብ ውጥን ስድራቤት ተቐባልነት ንኽረክብ ብመሰረታዊ ኣገባብ ዝበለጸ ከምዝዀነ ትገልጽ። \"ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ካብቲ ሰራሕተኛ ክንክን ጥዕና ንላዕሊ ንጐረቤትን መሓዛን ክትኣምን ተኽእሎ ስለዘለዋ፡ ብሓበሬታ ዝያዳ ግንዛበ ዝረኸቡ ወለንተኛታት ማሕበረሰብ ጥዕና የድልዩና\" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ። ብዛዕባ እቶም ዘለዉ ኣገባባት መከላኸሊ ጥንሲ፡ ብዙሓት ክእለዩ ዘለዎም ጽውጽዋያትን ግጉይ ኣረኣእያታትን ከምኡ’ውን ሕጽረት ግንዛበ ከምዘሎ ትዛረብ። ደቂ ኣንስትዮ ዝሰርሓለን ኣገባብ ውጥን ስድራቤት ንኽረኽባ ንወሃብቲ ክንክን ጥዕና ክውከሳ ከምዘለወን ሓኪም ማህጸን ብሪጂድ ሞንዳ ትገልጽ። ንሳ፡ \"ሓደ ሜላ ንዅሉ ኣይምጥንን'ዩ\" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ። ግን ገለ ደቂ ኣንስትዮ እውን ኣብ ገጠራት ኣብ ዝርከባ መዐደሊ መድሃኒታት ቀጻሊ ቀረብ ስለዘይረኽባ፡ ዝተፈላለዩ ኣገባባት መከላኸሊ ጥንሲ ክሓዋውሳ ተገዲደን እየን። እቲ ሶፍያ ዝበሃል ክኒን ዋላ'ኳ ተኣጊዱ እንተዀነ ብቐሊሉ ዝርከብ እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ዝተኣገደ ምዃኑ ዘይምፍላጠን ድማ ብሰንኪ ድኹም መልእኽቲ ህዝባዊ ጥዕና ዝመጸ ከምዝዀነ ዶክተር ኪባሩ ትገልጽ። \"መራኸቢ ብዙሃን ጥራይ እዅል ኣይኮነን። ኣብ ታሕታይ መሰረታት ኮነ ኢልካ ህዝባዊ መልእኽቲ ምልኣኽ፡ ሓደ መድሃኒት ንምንታይ ከምዝተኣገደ ሓፋሽ ኣጸቢቝ ንኽርድኦ ኣገዳሲ'ዩ\" ትብል። ሰራሕተኛታት ቤት መድሓኒት ብርግጽ ከምዝተኣገደ ይፈልጡ እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚኒስትሪ ጥዕና ተወሳኺ መጠንቀቕታ ሂቡ እዩ። ይኹን እምበር ብሰንኪ ጠለብ ነቲ ከኒና ሕጂ’ውን ይሸጥዎ ኣለዉ። ብግልጺ ዘይኮነስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ክገዝኣ ንዝመጻ ዝኣምንወን ዓማዊል እዮም ዝሸጥዎ። ቢቢሲ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ንዝርከባ ሓያሎ ፋርማሲታት ብዛዕባ ሶፍያ ሕቶታት ኣቕሪቡ ነይሩ። መብዛሕትኦም እቲ መድሓኒት ከምዘየዕሽየጥ ገሊጾም። ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሓደ ሸያጢ፡ ኣብ መርኣዪ’ኳ እንተዘይተዘርገሐ፡ ፋርማሲታት ግን ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ካብ ዘምጽኡ ኣቕረብቲ ክገዝእዎ ከምዝኸኣሉ ገሊጹ። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ሓደ በዓል ስልጣን ቦርድ ፋርማሲን መርዛማትን ንጋዜጣ ኬንያ ስታንዳርድ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ዶብ ዩጋንዳ ሓደ ጽዕነት ከምዝተዓገተ ሓቢሩ ነይሩ። ሱዛን፡ ነቲ ከኒና ካብ ኣቕረብቲ ብብዝሒ ካብ ትገዝእ ሓንቲ መሓዛኣ ከምዝገዝኣቶ ትዛረብ። ንሳ፡ እዛ መሓዛን ካልኦትን ነቲ ከኒና ዝሓበርዋን ሰባት እቲ ክኒና ከም ዝተኣገደ ይፈልጡ እዮም ትብል። ንሳ ምጥናሳን ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ጕጅለታት ፈይስቡክ ንኣደታት ኬንያ ዝቐርቡ ጥርዓናትን ካብ ምጥቃም ከምዘይኣገዶም ትገልጽ። ብውሑዱ ኣብ ሰለስተ ካብዞም መድረኻት ብዛዕባ ሶፍያ ዘተታት ተኻይዱ እዩ፣ ነቲ ክኒና ዝወስዳ ዝነበራ ሓያሎ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝጠነሳ ገሊጸን እየን። እዚ ድማ ንሱዛን፡ መሓዙታን ካልኦት ደቂ ኣንስትዮን ካልእ ዓይነት መከላኸሊ ጥንሲ ኣብ ግምት ከእትዋ ምምሕጻን ክትቅጽል ኣእሚንዋ ኣሎ። \"በቃ ክኒና ሶፍያ ምጥቃስ ንባዕሉ ከምዘፍርሓኒ እፈልጥ እየ። ራብዓይ ጥንሲ ንምክልኻል እንታይ ዓይነት ኣገባብ ውጥን ስድራቤት ከም ዝጥቀም ኣይፈልጥን እየ። ግን ወዲአ ኣለኹ፣ ምስቲ ከኒና ዘለኒ ርክብ ወዲአ ኣለኹ።\"","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2p5ryvgyxo"} {"headline":"ፕረዚደንት ዩጋንዳ ወዱ ንኬንያ ክወርር’የ ንዝበሎ ይቕሬታ ሓቲቱ","content":"ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዩወሪ ሙሰቨኒ፡ ነቲ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ዝዀነ ወዱ ዝሃቦ ርእይቶ ኣመልኪቱ ንኬንያውያን ይቕረታ ሓቲቱ። እቲ ፕረዚደንት ንወዱ ሙሁዚ ካይነሩጋባ ካብ ሓላፍነት ሓይሊ ምድሪ ድሕሪ ምእላዩ እዩ ነዚ ናይ ይቕረታ መልእኽቲ ዘመሓላለፈ። እንተዀነ፡ ካይነሩጋባ ምሉእ ማዕርግ ጀነራልነት ክወሃቦ እንከሎ፡ ኣማኻሪ እቲ ፕረዚደንት ኰይኑ ከምዝቕጽል’ውን ተገሊጹ እዩ። ሙሰቬኒ ነቲ ወዲ 48 ዓመት ወዱ ዝቕጽል መራሒ እታ ሃገር ንምግባር የዳልዎ ኣሎ ዝብል ርእይቶታት ክቕርብ ጸኒሑ ኣሎ። ጀነራል ካይነሩጋባ ኣብ ፖለቲካ ዘለዎ ተሳትፎ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ክመጽእ ይርአ'ሎ። ነቐፍቲ ግን እዚ ጥሕሰት ንወተሃደራዊ ዲሲፕሊን ምዃኑ ይገልጹ። ንሱ ብሰኑይ ኣብ ትዊትር ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፋት ብዛዕባ ኬንያ ዝሃቦ ርእይቶ ኣዘራራቢ ኰይኑ እዩ። እቲ ጀነራል ኣብ ሓደ ካብ ጽሑፋቱ ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ከምዝተዘራረበን ካብ ስልጣኑ ብምውራዱ ከምዘጕሃዮ ከምዝገለጸሉን እዩ ሓቢሩ። “ምስ ፍትው ዓቢ ሓወይ ዘለኒ እንኮ ጸገም፡ ንሳልሳይ እብረ ዘይምውድዳሩ እዩ። ብቐሊሉ ምተዓወትና ኔረና!” ኢሉ። ኣብቲ ልዕሊ 600 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለዎ ገጽ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ ካልእ ጽሑፍ ከኣ፡ “ንዓይን ንሰራዊተይን፡ ናይሮቢ [ርእሰ ከተማ ኬንያ] ንምቍጽጻር ክልተ ሰሙን ኣይወስደልናን እዩ” ኢሉ። እዚ ርእይቶ ኣብ ትዊተር ቁጥዐ ከለዓዕል እንከሎ፡ ሰባት፡ እቲ ጀነራል “ሓላፍነት ዘይስምዖን” ንዝምድና ክልቲአን ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ሓደጋ ዘእቱን እዩ ክብሉ ነቒፎምዎ። ድሒሩ ግን “ንሰራዊት ኬንያ ኣይክትንክፍን እየ ምኽንያቱ ኣቦይ ከልኪሉኒ ኣሎ! ስለዚ ህዝቢ ኬንያ ኣይትሻቐሉ!” ብምባል ጽሒፉ። መንግስቲ ኬንያ ኣብቲ ጉዳይ ምላሽ'ኳ እንተዘይሃበ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዩጋንዳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዩጋንዳ ምስታ ጎረቤታ ንዘለዋ “ጽኑዕ ክልተኣዊ ዝምድና” ከምእተኽብር ገሊጹ። ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዩወሪ ሙሰቬኒ እውን ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ከም እተዘራረበን በቲ ወዱ ኣብ ትዊተር ዝዘርግሖ ጽሑፋት “ከምዝሓዘነን” ምግላጹ ሓቢሩ። “ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ነበር ጀነራል ሙሆዚ፡ ኣብታ ዓባይ ሃገር ንዝተኻየደ መረጻ ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተር ብዛዕባ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ንኬንያውያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ይቕሬታ ክገብሩልና እሓትት። “ሲቪላውያን ይዅኑ ወተሃደራውያን ሰብ መዚ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኣሕዋት ሃገራት ርእይቶ ክህቡ ወይ ጣልቃ ክኣትው ቅኑዕ ኣይኰነን” ኢሉ ሙሰቬኒ። ንሱ ወሲኹ፡ ዋላ’ኳ ወዱ “ጌጋታት” እንተፈጸመ፡ “ብዙሕ እወታዊ ኣበርክቶ” ክገብር ስለዝኽእል ማዕርጉ ናብ ምሉእ ጀነራል ከምዝወሰኾ ኣፍሊጡ። ጀነራል ሙሆዚ፡ ንወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ከምኡ’ውን ሓይልታት ትግራይ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገብሩዎ ዘለው ቃልሲ ዝድግፍ ኣዘራራቢ ርእይቶታት ብምሃብ ኣቓልቦ ክስሕብ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ሓደ ናይ ትዊተር ልጥፎኡ፡ ሓዳስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ “ተባዕን ሓቀኛን” ብምዃና ከም ገዝሚ፡ 100 ከብቲ ምሃብክዋ ክብል ጽሒፉ ነይሩ። “ኣውሮጳውያን ንዝፈትውወን ደቂ ኣንስትዮ ዕምበባ ከምዝህቡ እፈልጥ እየ፤ ግና ኣይርድኣንን እዩ። ኣብ ባህልና ንእትፈትዋ ጓል ላሕሚ ኢኻ እትህባ፡” ኢሉ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crgdn7m37m7o"} {"headline":"ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ናይሮቢ ልዝብ ጀሚሮም","content":"ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደን ሎሚ ሰኑይ 28\/07 ጥቅምቲ ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ ተራኺቦም። ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ላዕለዎት ወተሃደራወያን ኣዘዝቲ ብዛዕባ ምውራድ ዕጥቂ ዝርከብዎ ነጥብታት ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ይዘራረቡ ከምዘለዉ ሓቢሩ። ብመሰረት እቲ ስምምዕ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ክልቲኦም ወገናት እቲ ስምምዕ ኣብ ባይታ ዝትግበረሉ ኩነታት ንምጥጣሕ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት ክራኸቡ ምኽኣሎም ከምዝንእድ እቲ ሕብረት ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ። \"ካብዚ ኣኼባ'ዚ ትጽቢት ዝግበረሎም፡ ብረት ንምዕራፍ፡ ሰብኣዊ ተበጻሕነት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ምምላስን ይርከብዎ\" ክብል እቲ ሕብረት ኣነጺሩ'ሎ። ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት እቶም ኣዘዝቲ ክራኸቡ ምኽኣሎም ዝንኣደ፡ መራሒ ጉጅለ ተደራደርቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ሬድዋን ሑሴን ብወገኑ፡ \"እዚ ውሕስነት ዝፈጥርን፡ ናብቲ ክሳብ ሎሚ ክብጻሕ ዘይክኣለ ሰብኣዊ [ሓገዝ] ንክውሕዝ ዘቀላጥፍን እዩ\" ኢሉ። መራሒ ጉጅለ ልኡኽ ህወሓት ጌታቸው ረዳ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “መዋቲ ፍጡር ክጻወሮ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ዝተሳቐየ ህዝብና ንምድሓን ዝሕተት ዘበለ ክንገብር ኢና” ኢሉ። “ህዝብና ካብ ኩሉ ንላዕሊ ሰላም’ዩ ዝደሊ። ንህዝብና ዝኣተናዮ መብጽዓ ከነተግብር ዲና፡ ግዜ ክምልሶ’ዩ” ብምባል ኣብቲ ስምምዕ ዝገበርዎ ሕድገታት “ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ’ዩ” ይብል ኣቶ ጌታቸው። ኣኼባ ናይዞም ኣዘዝቲ ንዝቕጽሉ ሰለስተ መዓልታት ከም ዝካየድ ተፈሊጡ'ሎ። ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሰጉን ኦባሳንጆን ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታን ኣብ መኽፈቲ እቲ ዘተ መልእኽቲ ኣሕሊፎም ኣለዉ። መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ብመሰረት እቲ ብረቡዕ 23 ጥቅምቲ 2015 [ግእዝ]፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶርያ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም፡ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ጸጥታዊ ኵነታት መሰረት ብምግባር፡ ዕጡቓት ትግራይ ኣጽዋር ክፈትሑ ተሰማሚዖም’ዮም። ብመሰረት’ቲ ክልቲኦም ወገናት ዝበጽሑዎ ምርድዳእ፡ እቲ ስምምዕ ምስተፈረመ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት፡ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መራሕቲ ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ብኣካል ተራኺቦም ብዛዕባ መስርሕ ምውራድ ዕጥቂ ክዘራረቡ ትጽቢት ክግበር ጸኒሑ'ዩ። ነዚ ስዒቡ፡ እቲ ስምምዕ ካብ ዝፍረም ኣብ ሓምሻይ መዓልቲ፡ ንሰራዊት መንግስቲ ፌደራል ዝወከለ ሓለቓ ስታፍ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ንሓይልታት ትግራይ ዝወከለ ጀነራል ታደሰ ወረደን ንዘተ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ተራኺቦም ኣለዉ። ክልቲኦም ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ዝተረኸብሉ መድረኽ፡ ምጅማር እቲ ዘተ ወግዓዊ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሰጉን ኦባሳንጆ፡ እቶም ተዛተይቲ ነቲ ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልታት ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ክውን ንምግባር ከይተሓለሉ ከምዝሰርሑ ኣዘኻኺሩ። ኦባሳንጆ፡ \"ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ክልቲኦም ኣካላት ብመሰረት እቲ ስምምዕ ንዘተ ኣብ ናይሮቢ ምርኻቦም፡ ኣተገባብራ እቲ ስምምዕ ኣወንታዊ ተስፋ ከምዘለዎ ዘመልክት’ዩ” ኢሉ። ኡሁሩ ኬንያ ብወገኑ፡ ኣብዚ ጉዳይ ንምዝታይ ናብዚ ዝመጽኡ ክልተ ውልቀሰባት፡ ቅድሚ ሕጂ ዝፋለጡ መሳርሕቲ ምዃኖም ብምሕባር፡ ኣብ መወዳእታ እቲ መስርሕ “ንዝሓሸት ኢትዮጵያን ንረብሓ እቲ ዞባን ኣወንታዊ ውጽኢት ከምዝመጽእ እምነት ኣሎኒ” ክብል ተዛሪቡ። “[ነቲ ዘተ] ኣብ ፕሪቶርያ ኢና ጀሚርናዮ፤ ሕጂ ድማ ኣብ ናይሮቢ ኣለና፤ ዝቕጽል ኣኼባና ኸኣ ኣብ መቐለ ከምዝካየድ ተስፋ ኣሎና። ድሕሪኡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክንጽምብሎ ኢና። እዚ ጸሎትናን ተስፋናን እዩ” ክብል ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ገሊጹ። ኣመሪካ፡ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ፡ ሕቡራት ሃገራትን ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃን ኣብ ምዕዋት ናይቲ መስርሕ ንዝጻወትዎ ዘለዉ ግደ ኣፍልጦ ዝሃበ መግለጺ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኬንያ'ውን ነዚ ናይ ሕጂ ልዝብ ብምእንጋዳ ኣመስጊኑ። ሰብመዚ ኤርትራ ብወገኖም፡ ሰላም ንቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዘድልዮ ድሕሪ'ቲ ስምምዕ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ገሊጾም ኣለዉ። \"ቀዋሚን ዘይቅልበስን ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝደልዮ እዩ፣ ይቐርብ’ውን ኣሎ። እዚ ኸኣ፡ ኣካል ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን-ኢትዮጵያን 2018 እዩ\" ክብል ሎሚ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። ክልቲኦም ወገናት ኣብ ስምምዖም ቀንዲ ዛዕባታት ካብ ዝነበሩ እቲ ሓደ፡ ምፍታሕ ዕጥቂ ዝምልከት ኰይኑ ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ሓይሊ ምክልኻል ጥራይ ከምዘሎ ኣብ ስምምዕ ምብጽሖም ይዝከር። እቲ ስምምዕ ካብ ዝፍረም ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ክልቲኦም ወገናት ተሌፎን ክራኸቡ ምዃኖም ተገሊጹ ነይሩ። ብድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ኣብ ዝህልዉ 30 መዓልታት፡ ቀለልቲ ኣጽዋር ሓዊሱ መስርሕ ምፍታሕ ዕጥቂ ክዛዘም ምዃኑ ትጽቢት ይግበር።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/czk1zd7dz2lo"} {"headline":"ፕረዚደንት ኬንያ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ","content":"ሓድሽ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ናብ ርእሰከተማ ኣስመራ ከምዝኣተወ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሓቢሩ። ንመጀመርታ እዋን ናብ ኤርትራ ዝበጽሕ ዘሎ ሩቶ፡ ንክልተ መዓልታት ክጸንሕ ምዃኑ ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ዘውጽኦ ሓበሬታ ይጠቅስ። ዕላማ ናይቲ ብዕድመ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ዝግበር ዘሎ ምብጻሕ እንታይ ምዃኑ ግን ኣቶ የማነ ኣይገለጸን። ንኲናት ትግራይ ሰላማዊ ፍታሕ ኣብ ምርካብ ተራ ዝተጻወተት ኬንያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣኼባ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ኣአንጊዳ ምንባራ ይዝከር። ኣብ ዝሓለፈ 3 ታሕሳስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ ምስ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ተራኺቡ ነይሩ'ዩ። እንተኾነ ግን ኣብቲ ኣጋጣሚ ብዛዕባ ምብጻሕ ሩቶ ናብ ኤርትራ ዝተገልጸ ነገር ኣይነበረን። ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ'ውን ሓደ ካብቶም ነቲ ኣብ ፈለማ ሕዳር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ዘሳለጡ ኣደራደርቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ምዃኑ ይፍለጥ። ኣዋጅ ናይሮቢ ብ 12 ኣብ ዝተፈረመሉ ስነስርዓት ብዛዕባ ኤርትራ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ኡሁሩ ርእይቶ ክህብ ከምዘይደሊ ተዛሪቡ ነይሩ። ብመሰረት እቲ ስምምዕ ሓይልታት ትግራይ ዘለዎም ከበድቲ ብረታት ምስ ኣረከቡ ኣብቲ ክልል ዘለዉ \"ሓይልታት ወጻኢ\" ክወጹ'ዮም። ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብምስላፍ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ንምውጋእ ናብቲ ክልል ከምዝኣተዉ ይፍለጥ። ኣብ ታሕሳስ 2018 ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኬንያ ድሕሪ ምብጽሑ፡ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ከኣ ኣብ መጋቢት 2019 ኣብቲ እዋን ኣብ ስልጣን ዝነበረ ፕረዚደንት ኬንያታ ናብ ኣስመራ በጺሑ ነይሩ። ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት ክዝሕልን ክመውቕን ምጽንሑ ይግለጽ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ምስ ኢትዮጵያን ሶማልያን ጸጥታዊ ስምምዕ ምፍራሙ ይዝከር። እዚ ምስ ኬንያ ተጀሚሩ ዘሎ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ምብጽጻሕ ነዚ ምትሕብባር'ዚ ንምስፋሕ ዝዓለም እንተኾይኑ ብንጹር ዝተፈልጠ የለን። ኤርትራ ኣብ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ዝነበራ እምነት እናጎደለ ብምምጽኡ፡ ሓድሽ ዞባዊ ተበግሶታት ክትወስድ ትህቅን ከምዘላ ተንተንቲ ይገልጹ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መወዳእታ 90ታት ነቲ ኣብ ልዕሊ'ቲ ብፕረዚደንት ዳኒኤል ኣራፕሞይ ዝምራሕ መንግስቲ ዘለዎ ነቐፌታታት ብመንግስታዊ ማዕከናት ዜናቱ የቃልሕ ምንባሩ ይዝከር።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cn3z9g9zv35o"} {"headline":"ሙሁዚ ካይነሩጋባ - ነቦኡ ብምትካእ ፕረዚደንት ንምዃን ዝህንጠ ዘሎ ጀነራል","content":"ኣብ ዙርያ ዓለም ክቡራት ኣብ ዝበሃሉ ወተሃደራዊ ኣካደሚታት ዝተማሃረ፡ ወዲ ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዩዌሪ ሙሰቨኒ፡ በቲ ኣብ ትዊተር ዝዝርግሖ፡ ንሃገራውን ዞባውን ፖለቲካ ናብ ሓሸውየ ዘእቱ ተባራዒ ፖለቲካዊ ልጥፎታት ተፈላጥነት ዝረኸበ ወተሃደራዊ ጀነራል ኮይኑ ኣሎ። ጀነራል ሙሁዚ፡ ወተሃደራቱ ንርእሰ ከተማ ኬንያ፡ ናይሮቢ፡ ኣብ ትሕቲ ክልተ ሰሙን ክቆጻጸር ከምዝኽእል፣ ከምኡ’ውን ንተጻባእቲ ግብጺ ከጠንቅቕ ከሎ፡ ዩጋንዳ ኣብ ጎድኒ እታ ሰሜን ኣፍሪቃዊት ሃገር ብምዃን ኣብ ዝኾነ ኲናት ከትሳተፍ ከም እትኽእል ሓቢሩ። ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካ ሃገሩ ከኣ ነቲ 78 ዝዕድሚኡ ኣቦኡ ናይ ምትካእ ድልየታት ከምዘለዎ ኣርእዩ እዩ። ኣብ ትዊተር ኣዘራራቢ ዛዕባታት ከይልጥፍ ንዝተዋሃቦ መምርሒ ብምንጻግ “ኣነ በጽሒ እየ፡ ወላ ሓደ ከኣ ካብ ዝኾነ ነገር ኣይእግደንን እዩ” ኢሉ። ዩጋንዳዊ መርማሪ ጋዜጠኛ ሰለሞን ሰርዋንጃ፡ እቲ ልጥፎታት ትዊተር፡ እቲ ብሙሁዚ ዝፍለጥ ጀነራል ሙሁዚ ካይነሩጋባ፡ ፖለቲካዊ ህርፋን ዘለዎ ንጡፍ ኣባል ሰራዊት ምዃኑ ዘርእይ እዩ ይብል። “ንደገፍቱ ከረጋግጸሎም ዝደለዮ ነገር፡ ነጻን ብገዛእ ርእሱ ክውስንን ከምዝኽእልን ምርኣይ እዩ። እንተኾነ ግና ጌና ንትእዛዝ ኣቦኡ ከኽብር ትጽቢት ዝግበረሉ ውሉድ እዩ።” እቲ ካብ 1986 ጀሚሩ ኣብ ስልጣን ዝርከበ ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሰቨኒ፡ ነቲ 48 ዝዕድሚኡ ጀነራል፡ ተካኢኡ ክኸውን ይምልምሎ ከምዘሎ ዝገልጹ ነቐፍቲ፡ እዚ ኣብ ዩጋንዳ ንጉሳዊ ግዝኣት ምትካል እዩ ብምባል ይቃወምዎ። “እታ ስድራ ንዩጋንዳ ተቖጻጺራ ኣላ። ኣደኡ ኣባል ካቢነ እያ፡ ንሱ ከኣ ኣቦኡ ንምትካእ ልኡል ኮይኑ ኣሎ” ይብል ኣባል ናይቲ ኣብ ኬንያ ዝመደበሩ ኢንስቲትዩት ፖሊሲ ኣፍሪቃ ዝኾነ ፒተር ካግዋንጃ። ከምቲ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ሓደ ግዜ ዝገበሮ፡ እቲ ጀነራል ትዊተር ተጠቂሙ ስሙ ልዕል የብል ኣሎ። ንሱ፡ ነቲ ናይ ትዊተር ልጥፎታቱ ምስ መራሕቲ ኣፍሪቃ ንምርኻብን ንፖለቲካዊ ዕላማታት ዩጋንዳ ንምስጓምን ዝጥቀም “ተተናኳዪ ልኡኽ” ጌሩ ከምዝርእዮ ፕሮፌሰር ካግዋንጃ ይዛረብ። “ሙሁዚ ይተዃትኽ፡ ሽዑ ኣቦኡ ናብተን ሃገራት ክኸይድን ይቕሬታ ክሓትትን መገዲ የጣጥሓሉ፡ በዚ ከኣ ምስቲ ዓንኬል መራሕቲ ይላለ ኣሎ፡” ይብል። ነዚ ዘርእየና፡ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ግድብ ህዳሴ ምስ ግብጽ ኣብ ሓያል ምስሕሓብ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ጀነራል ካይነሩጋባ ንግብጺ ብትሪ ብምድጋፍ ርእይቶ ድሕሪ ምሃቡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቖጥዓሉ ግዜ ነይሩ እዩ። ደሓር፡ እቲ ጀነራል ነቲ “ዘየጸዓድ መንፈስ” ናይ’ቶም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ተጸሚዶም ዘለው ሓይልታት ትግራይ ብምድጋፍ “እቶም ንተጋሩ ኣሓትና ዝደፈሩን ኣሕዋትና ዝቐተሉን ክቕጽዑ ኣለዎም ኢሉ!” እዚ ርእይቶታት፡ በብዙሓት ኢትዮጵያውያን ክንቀፍ እኳ እንተገበሮ፡ ናብታ ሃገር ክጓዓዝን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ላዕለዎት ወተሃደራውያን ኣዘዝትን ክራኸብን መገዲ ከፊቱሉ እዩ። ብድሕሪኡ ቃንኡ ብምቕያር ነቲ 46 ዓመት ዝዕድሚኡ መራሒ ኢትዮጵያ “ሓወይ” ኢሉ ክጽውዖን “ንጸገማት ኣፍሪቃ፡ ኣፍሪቃዊ መፍትሒ ክህሉ ከምዘሎ ኢና እንኣምን” ብምባል ምስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ብተደጋጋሚ ዝብሎ ርእይቶ ክሰማማዕን ተራእዩ። ጀነራል ካይነሩጋባ ንመራሕቲ ኣፍሪቃን ምስኦም ዘለዎ ዝምድና እንታይ ከምዝመስልን ንምግላጽ፡ ስድራቤታዊ ቃላት ብብዝሒ ክጥቀም ይርአ እዩ። ንፕረዚደንት ርዋንዳ ፖል ካጋሜ “ሓወቦይ” ኢሉ ክገልጾ እንከሎ፡ ኣብ ሕርሻኡ በጺሕዎ እዩ። ብሰንኪ ምስሕሓብ ርዋንዳን ዩጋንዳን ዶባተን ምስተዓጽወ፡ ንኣቦኡን “ሓወቦኡን” ብምርኻብ ነቲ ዝምድና ንምምሕያሽ ፈተነታት ኣካይዱ። ጀነራል ካይነሩጋባ ንኬንያ ኣመልኪቱ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ፕረዚደንት ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ስልጣኑ ምስ ኣረከበ ኣብ ነሓሰ ከምዝረኸቦ ክገልጽ እንከሎ፡ “እቲ እንኮ ምስ ዓቢ ሓወይ ዘለኒ ጸገም፡ ንሳልሳይ እብረ ዘይምውድዳሩ እዩ። ብቐሊሉ ምተዓወትና ኔርና!” ኢሉ። እዚ ኣብ ኬንያውይን ተጠቀምቲ ትዊተር ቁጥዐ ከለዓዕል እንከሎ፡ “ዴሞክራሲ ሃገርና ንምንእኣስ ይፍትን ኣሎ” ብምባል ከሲሶምዎ። ፕሮፌሰር ካግዋንጃ ከምዝበሎ፡ ናይቲ ጀነራል መግለጺታት፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ዝነበረ ዝምድና ኣብ ዝሓረፈፈሉ እዋን'ዩ መጺኡ። ኣብ መስርሕ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኬንያ፡ ኡሁሩ ኬንያታ ንመራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ራይላ ኦዲንጋ ምድጋፉ ባህ ዘይበሎ ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዮወሪ ሙሰቨኒ፡ ንራይላ ከም \"እምብራጦርያዊ ፕሮጀክት\" ምዕራባውያን ሃገራት'ዩ ዝርእዮ። ሙሰቨኒ ነቲ ደሓር ኣብቲ ፕረዚደንታዊ መረጻ ዝተዓወተ ዊልያም ሩቶ እዩ ዝድግፍ። “እቲ ናይ ትዊተር ልጥፎ፡ ኬንያታ ኣብ ፖለቲካ ኬንያ ጌና ኣገዳሲ ተዋሳኢ ብምዃኑ፡ ንምጥባሩ ዝዓለመ እዩ ኔሩ” ይብል ፕሮፌሰር ካግዋንጃ። “ኣቦን ወድን ብሓባር እዮም ዝሰርሑ ኔሮም። ሙሁዚ፡ ዕግርግር ብምግባር፡ ንገዛእ ርእሱ ናይ ኣቦኡ ተቓዋሚ ከምስል ይፍትን፤ ንኣቦኡ ከኣ ዝሓሸ ሰብ የምስል።” ኣብ ትዊተር ልዕሊ 600 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለዎ፡ ጀነራል ካይነሩጋባ “ንናይሮቢ [ርእሰ ከተማ ኬንያ] ንምቁጽጻር ክልተ ሰሙን ኣይወስደልናን እዩ” ብምባል ዝያዳ ኣነዓቢ ርእይቶ’ውን ኣካፊሉ ኔሩ። እቲ ርእይቶ ነቲ ኣብ 1970ታት ዝዓበየ ክፋል ኬንያ ኣካል ዩጋንዳ እዩ ዝበለ ዩጋንዳዊ ውልቀ መላኺ ኢዲ ኣሚን ዘዘኻኽር ምንባሩን ነታ ንክልቲአን ሃገራት ንነዊሕ እዋን እተሰሓሕብ ደሴት ሚጊንጎ መፍትሒ ከምዘድሊ ዘአንፍት ምንባሩን ፕሮፌሰር ካግዋንጃ ይገልጽ። ካብ ኬንያውያን ተሪር ተቓውሞ ምስ ገጠሞ ግና እቲ ወተሃደራዊ ኣዛዚ “ንሰራዊት ኬንያ ፈጺመ ኣይወቅዕን እየ፡ ምኽንያቱ ኣቦይ ፈጺመ ከይፍትኖ ነጊሩኒ ኣሎ!” ኢሉ። መንግስቲ ኬንያ ብወግዒ ዝሃቦ ርእይቶ እኳ እንተዘይነበረ፡ እቲ ምስሕሓብ እናተባኣኣሰ ምስመጸ፡ ሙሰቨኒ ንሩቶ ክድውልን ነቲ ወዱ “ዝፈጸሞ ጌጋ” ይቕሬታ ክሓትትን ተገዲዱ እዩ። እዚ ከኣ ሩቶ ኣብ ጽምብል መበል 60 ዓመት ነጻነት ዩጋንዳ ክሳተፍን ጀነራል ካይነሩጋባ “ንዝጸንሑ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ምሉእ ሓገዙ” ከበርክት ምዃኑ ክገልጽን መገዲ ከፊቱ። ሰራዊት ዩጋንዳ በቲ እቲ ጀነራል ዝልጥፎ ርእይቶታት ሻቕሎቱ ብምግላጹ፡ ሙሰቨኒ ንወዱ ካብ ሓላፍነት እቲ ሓይሊ ምድሪ ኣልዓሎ። “ላዕለዎት ጀነራላት ነቲ ኣብ ሰራዊት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ጉዳይ ዲሲፕሊን ኣልዒሎም፡ ሙሰቨኒ ከኣ ኣማራጺ ኣይነበሮን፡” ይብል ሰርዋንጃ። “ካልእ ሰብ እንተዝኸውን ኔሩ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ቤትፍርዲ ምቐረበ ኔሩ።” እንተኾነ ግና ሙሰቨኒ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቂሙ ንወዱ ናብ ዝለዓለ ወተሃደራዊ ማእርግ - በዓል ኣርባዕተ ኮኾብ ጀነራል - ኣዕቢይዎ። ኣማኻሪ እቲ ፕረዚደንት ኮይኑ ምስራሕ’ውን ክቕጽል እዩ። ጀነራል ካይነሩጋባ ካብ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ሳንድሀርስት ብሪጣንያ ድሕሪ ምምራቑ፡ ኣብቲ ኣብ 1999 ዝተጸንበሮ ሰራዊት ዩጋንዳ ማዕርግ ክውስኽ ጀሚሩ። በዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ቆልዑን ክኸውን እንከሎ ሰዓቢ እምነት ክርስትና ምዃኑን ንኽብርታት ስድራቤት ልዑል ክብሪ ከምዘለዎ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝልጥፎም ጽሑፋት የንጸባርቕ። ኣብ ምምስራት እቲ ድሕነት ኣቦኡ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ዘለዎ ኣሃዱ፡ እዚ ፍሉይ ሓይሊ (ኤስኤፍሲ)፡ ወሳኒ ተራ እዩ ተጻዊቱ። እቲ ኣሃዱ፡ ማእሰርቲን ምስቓይን ንጡፋት ተቓወምቲ ዝርከቦ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብምፍጻም ይኽሰስ። “ሙሆዚ ካብ ማዕርግ ናብ ማዕርግ እናተሰጋገረ፡ ኣብ 2008 ኣዛዚ ሓለውቲ ኣቦኡ ክኸውን እንከሎ፡ ክሳዕ 2017 ኣብቲ ሓላፍነት ጸኒሑ። ኣብ 2020 ኣብ እዋን መረጻ ኣብ ዝነበረ ናዕቢ ናብቲ ኣሃዱ ምምላሱ” ዩጋንዳዊ ጋዜጠኛ ሙሲንጉዚ ብላንሸ ኣብ ኣፍሪካን ሪፖርት ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ ይገልጽ። ኣብዚ እዋን እቲ ጀነራል ካብ ሓላፍነት ሓይሊ ምድሪ ድሕሪ ምእላዩ ኣብቲ ሰራዊት ክሳዕ ክንደይ ጽልዋ ከምዘለዎ ንጹር ኣይኮነን ይብል ሰርዋንጃ። ሓደ ንጹር ዝኾነ ነገር እንተሎ፡ ፕረዚደንት ሙሰቨኒ፡ ወዱ ኣብ ምርጫ 2026 ክትክኦ እዩ ንዝብል ተስፋ ኣህሲሱ ኣሎ። እዚ ከኣ ምክትል ፕረዚደንትን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ዝርከብዎም ናይ ቀደም ብጾቱ፡ ዳግማይ ንፕረዚደንት ክወዳደር ከጉስጉሱሉ ጀሚሮም ብምህላዎም ተንጸባሪቑ ኣሎ። እዚ፡ ነቶም ኣብ ትዊተር #MKArmy ከምኡ’ውን #MK26 ብዝብል ጀነራል ሙሆዚ ካይነሩጋባ ስልጣን ካብ ኣቦኡ ክቕበል ንምድጋፍ ክካየዱ ዝጸንሑ ጎስጓሳት ዓቢይ ጽፍዒት እዩ። ንሱ ኣብ ግንቦት ኣብ ትዊተር ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ “እቶም ኣብ 2026 ክወዳደር እትደልዩኒ ‘ሪትዊት’፡ እቶም ዘይትደልዩ ከኣ ‘ላይክ’ ግበሩ” ኢሉ። እዚ ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ብዝግበር ጎስጓስ ክሕገዝ እንከሎ፡ ኣብ ሚያዝያ፡ መበል 48 ዓመት ዕለተ ልደት እቲ ጀነራል ምጽንባል፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንእሰያት ንዘሎ ምስሉ ንምዕባይ ዝተፈላለየ ተበግሶታት ምድጋፍ ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ዘካተተ እዩ። “መሁዚ ዓቢይ ሰራዊት ናይ መንእሰያት ኣለዎ። ደገፍቱ ኣብ መንእሰያት ከተኩሩ ይፍትኑ ኣለው፡” ይብል ሰርዋንጃ። እዚ ነቲ እናዓበየ ክመጽእ ንዝጸንሐ ህቡብነት ከም ቦቢ ዋይን ዝኣመሰሉ ንኣሽቱ መራሕቲ ተቓውሞ ንምግታእ ዝዓለመ ይመስል። እቲ ጀነራል ነቲ ካብ ሙዚቀኛ ናብ ፖለቲከኛ ዝተቐየረ ቦቢ ዋይን ከነኣእሶ ከሎ፡ “ካቦቢ” ኢሉ እዩ ዝጽውዖ እዚ ብቋንቋ ስዋሂሉ “ንእሽቶ ቦቢ” ማለት እዩ። እቲ ጀነራል ኣብ መረጻ 2026 ንምዕዋት፡ “ካብ መጠን ንላዕሊ ህንጡይ” ኮይኑ ከምዘሎ ሰርዋንጃ ይዛረብ። “ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ደው ዘብሎ ነገር የለን፤ ወላ ነቶም ናቱ’ውን እንተኾነ ካብ ምስዋእ ድሕር ኣይብልን እዩ” ኢሉ። ሙሰቨኒ ኣብ ዝቕጽል መረጻ ክወዳደር ምዃኑ እንተኣረጋጊጹ፡ እቲ ብገለ ሰዓብቱ ኣብ ትዊተር ላዕለዋይ መራሒ እዚ ወለዶ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወዱ ንዕኡ ከምዝጉስጉስ ኣየጠራጥርን እዩ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4n7x71e7rwo"} {"headline":"ኢትዮጵያ ሎሚ ናብ ኬንያ ወግዓዊ መሸጣ ሓይሊ ኤለክትሪክ ጀሚራ","content":"ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ዝተዘርግሐ በዓል 500 ኪሎ ቮልትመተሓላለፊ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ንኡስ ጣብያ ኮንቨርተርን ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ መሸጣ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝጀመረ ብዓልመዚ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ ሓይሊ ናይ ምትሕልላፍ ፈተነ ካብ 29 ጥቅምቲ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ጀሚሩ ክካየድ ምፅንሑ እቲ ኩባንያ ኣዘኻኺሩ’ሎ። “ሎሚ ብወግዒ መሸጣ ዝጀመረ መስመር መተሓላለፊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮ-ኬንያ፡ ኣብ ዓመት ክሳብ 100 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ናይ ምምፃእ ዓቕሚ ኣለዎ” ኢሉ። ካብ ኬንያ ሰጊሩ፡ ካብ ታንዛንያ ክሳብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ዘለዋ ሃገራት እውን ኣስታት ክልተ ሽሕ ሜጋዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምትሕልላፍ ዓቕሚ ከምዘለዎ ወሲኹ ገሊፁ። ፕሮጀክት መስመር መተሓላለፊ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢትዮ-ኬንያ፡ ብሓፈሻ ኣስታት ሓሙሽተ ሚእቲ ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ወፃኢ ከምዝተገበረሉ ይዝረብ። “ሓፈሻዊ ህንፀት \"CET\" ዝተብሃለ ቻይናዊ ኩባንያ ምስ ሲመንስ ዝተባህለ ካልእ ኩባንያ'ዩ ተፈጺሙ” ይብል መግለፂ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢትዮጵያ። እቲ መስመር መተሓላለፊ ብክልል ደቡብ፡ ዞባታት ወላይታ፣ ጋሞን ኮንሶን፣ ከምኡ ድማ ብክልልእ ኦሮምያ፡ ዞባ ቦረና ኣቢሉ እዩ ናብ ኬንያ ዝበፅሕ። ኢትዮጵያ ናብ ሱዳንንጅቡትን መሸጣ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተካይድ ከምዘላ ዘዘኻኸረ እቲ ትካል፡ “ምስ ሶማሊላንድ፣ ታንዛንያ፣ ደቡብ ሱዳንን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን እውን ስምምዕ መሸጣ ኤለክትሪክ ፈሪማ ኣላ” ክብል ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ሱዳንን ጅቡትን ካብ ዝተለኣኽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ 95 .4 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝረኸበት እቲ መግለፂ እቲ ጠቒሱ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c6pvjz4p095o"} {"headline":"ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ካብ ዘተ ሰላም ኢትዮጵያ ከምዝሰሓበ ኣፍሊጡ","content":"ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ፡ ካብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዝነበረ ዘተ ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ከምዝሰሓበ ኣፍሊጡ። ሓደ ካብ ሰለስተ ኣደራደርቲ ዘተ ሰላም ኢትዮጵያ ኮይኑ ዝተመዘዘ ኬንያታ፡ ብሰንኪ 'መደባት ዘይምስናይ' ካብቲ ናይ ሕዚ ዘተ ክስሕብ ከምዝተገደደ እዩ ዝገልጽ። ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ፡ ብዛዕባ'ዚ ንኣፍሪቃ ሕብረት ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ንሱ ኣብቲ ጽባሕ ሰንበት ክካየድ ተተሊሙ ዝነበረ ልዝብ፡ ከምዘይርከብ ዘፍለጠ ዀይኑ፡ ንድሕሪ ሕዚ ግና፡ ቀዲሙ ኣጀንዳ ክንጸረሉን እቲ ልዝብ ዝካየደሉ ኣገባብ ክፈልጥን ሓቲቱ ኣሎ። \"እዚ ምንጻር፡ ግቡእ ምድላዋት ክገብርን ክኽተሎ ዝግባእ ኣገባብን ንክፈልጥን ክሕግዘኒ እዩ\" ኢሉ። ንሱ ወሲኹ፡ ኣብ መስርሕ እቲ ዘተ 'ምቁራጽ ተጻብኦታት' ኣብ ቅድሚት ክስራዕ ከምዝኣምን ኣብ ደብዳብኡ ግልጺ ገይሩ ኣሎ። ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጎን ኦባሳንጆ፡ ኡሁሩ ኬንያታ፡ ከምኡ'ውን ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ዶ\/ር ፉምዚለ ምላቦ-ንጹካ ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ልዝብ ንምስላጥ ብሕብረት ኣፍሪቃ ምምዛዞም ይፍለጥ። ኬንያታ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነነበረሉ እዋን፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ንኲናት ትግራይ ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ጻዕርታት ካካይድ ምጽንሑ ይንገረሉ። ኣብ ልዕሊ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ቅረታ ዘለዎም መራሕቲ ትግራይ'ውን፡ ዝኾነ ዝካየድ ልዝብ ብኣላይነት ኡሁሩ ኬንያታ ክካየድ ድሌት ከምዘለዎም ክገልጹ ምጽንሖም ይዝከር። ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝመጽእ ሰንበት ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ዝርርብ ሰላም ኢትዮጵያ ከምዝተናወሐ ተገሊጹ'ሎ። እቲ ኣብ ርእሰከተማ ፕሪቶርያ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝካየድ ልዝብ ብሰንኪ ጸገማት ሎጀስቲክስ ኣብ ዝተመደበሉ መዓልቲ ክጅምር ከምዘይክእል፡ ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብመሪሕነት ፕረዚደንት ነበር ኦባሳንጆ ነቲ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኣዕናዊ ኲናት ንምፍታሕ ጻዕርታት ከካይድ'ኳ እንተጸንሐ፡ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ከረጋግጽ ኣይክኣለን። ንኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት' ተኣዊጁ'ኳ እንተነበረ፡ ካብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ውግእ ዳግም ብምውልዑ እቲ ኵናት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። እቲ ኲናት ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ድሕሪ ምውልዑ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ኣብታ ኣብ ዕጽዋ እትርከብ ክልል ትግራይ ሰፊሕ ምፍንቓል ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ምስዓቡ ይፍለጥ። ኣብቲ ኲናት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉን ብኹሎም ወገናት ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ከምዝተፈጸመን ይግለጽ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c9r4y9nn4vgo"} {"headline":"ኬንያ፡ ምሕራድ ደርሁ ኣብ ቤት ትምህርቲ ስለምንታይ'ዩ ክትዕ ፈጢሩ?","content":"ኣብ ኬንያ፡ ክልተ ህጻናት መባእታ ቤት ትምህርቲ ደርሆ ክሓርዱ እንከለዉ ዘርኢ፡ ኣብ ብዙሓት ዝተዘርገሐ ቪድዮ፡ እቲ ሓድሽ ስርዓተ ትምህርቲ እታ ሃገር ዕግርግርን ብገለ ሸነኽ ድማ ላግጽን ይፈጥር ኣሎ። ኣብቲ ንደቂ 11 ዓመት፡ ደርሆ ብኸመይ ከም እትሕረደን ትኽሸንን ዝወሃብ ትምህርቲ፡ ሓደ ወዲ ነታ ደርሆ ክሕዛን እቲ ሓደ ድማ ብፍርሒ ካራ ሒዙ ክሓርድ እንከሎን ይርአ። ኣብቲ ቪድዮ፡ ተሃንጥዮም ዝዕዘቡ ዝነበሩ መማህርቶም፡ እቲ ብሞባይሉ ዝስእል መምህር፡ እንቋዕ ሓጐሰካ ክብሎ እንከሎ ይርእዩ። ድሕሪኡ ኻልእ፡ ነቲ ኣካል እታ ደርሆ ኣብ ጥቓኡ ኣብ ዝነበረ ዝፈልሕ ማይ ዝሓዘ ድስቲ ከእትዎ መምርሒ ክህቦ ከሎ ክዕዘቡ ይረኣዩ። እንተዀነ፡ እቲ ቈልዓ ነታ ርእሳ ዝተቘርጸት ደርሆ ኣብ ልዕሊ እቲ ድስቲ ከቐምጣ ክብል፡ እታ ምሉእ ብምሉእ ትንፋሳ ዘይሓለፈት ዝነበረት ርእሲ ዘይነበራ ደርሆ ኣኽናፋ ገፍገፍ ኣቢላ ትሃድም። እታ ናይ 19 ካልኢት ክሊፕ፡ ብሰሓቕ መምህርን እታ ዘይዕድለኛ ርእሳ ዝተቘርጸት ደርሆ ገና እናሃደመትን እቶም ህጻናት እናጨደሩ ደድሕሪኣ ክሃድሙን ይርኣዩ። ርእሲ ደርሆ ምስ ዝቝረጽ፡  ዓንዲ ሕቘኣ ገና ተረፍ ኦክስጅን ስለዘህልዎ ንሓያሎ ደቓይቕ ክንቀሳቐስን ክኸይድን ይኽእል እዩ። እዚ ፍጻመ፡ እቶም ተመሃሮ ሻድሻይ ክፍሊ ክርስዕዎ ኣይክእሉን። እቲ ቪድዮ፡ ንድሕነት እቶም ቈልዑ ብዝሻቐሉ ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዙሕ ኣዛሪቡ እዩ። እንተዀነ፡ ብዛዕባ ስቓይ እታ ደርሆ ግን ዘልዓለ ዳርጋ የለን። ኣብ ገጠራት ኬንያ፡ ደርሁ ክሕረዳ ምርኣይ ልሙድ እዩ። ተመሃሮ፡ መባእታ ቤት ትምህርቲ ካብ ዝጅምሩ ኣትሒዞም፡ ንሓድሽ ስርዓተ ትምህርቲ መፈተንታ ኰይኖም ብምህላዎም፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ብዙሕ ዝተፈላለየ ግብራዊ ፕሮጀክትታት ከም ዝፍትኑ ክግበር ጸኒሑ እዩ። ደገፍቲ ብቕዓት መሰረት ዝገበረ ስርዓተ ትምህርቲ (CBC) ዝያዳ ነዞም ተመሃሮ መባእታ ከም ፈለምቲ ይርእይዎም። እዚ ድማ፡ ነቲ ዝኣረገ ኣብ ክልሰ-ሓሳብን ፈተናን ዝተመርኮሰ ስርዓት ብምምሕያሽ፡ ንህይወት መበል 21 ክፍለ ዘመን ንምግጣምን ስራሕ ንምርካብን ብዝበለጸ ስለ ዘዳልዎም እዩ ይብሉ። ብተወሳኺ፡ ቀጻሊ ገምጋም ተመሃሮ ስለዘሎ፡ ነቲ ዓቢይ ጸገም መንግስቲ ኰይኑ ዝጸንሐ ኣብ ፈተናታት ዝግበር ምቕዳሕን ምትላልን ከም ዘጕድል ይምጕቱ። ኣስታት 1.25 ሚልዮን ተመሃሮ ሻድሻይ ክፍሊ ኬንያ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብቲ ናብ ካልኣይ ደረጃ ንምሕላፍ ዝውስን ፈተና ክሳተፉ እዮም። ንመጀመርታ ግዜ ድማ እዚ ፈተና ኣብ ናይ መወዳእታ ነጥቦም 40% ጥራይ እዩ ዘበርክት፤ ምኽንያቱ እቲ ዝተረፈ መምዘኒ እቲ ካብ ቀዳማይ ክፍሊ ኣትሒዙ ዝግበር ገምጋም\/ምምዛን ክሽፍኖ እዩ። እንተዀነ፡ ገለ ወለዲ በዚ ሓድሽ ዓይነት ኣመሃህራ ሕጕሳት ኣይኰኑን፡ ምኽንያቱ ተመሃሮ ንግብራዊ ትምህርቲ ዝሕግዞም ደርሆ ከይተረፈ ከምጽኡ ስለዝግደዱ። ኣብ ምብራቕ ኬንያ ኣብ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ካንጉንዶ መምህር ስነፍልጠት ዝዀነ ጅሚማህ ጊታሪ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ፡ ነዚ ሓሳብ ናይ ገለ ወለዲ ትድግፍ። “ሓሙሻይ ክፍሊ’የ ዝምህር፣ ተመሃሮ ጨርቂ ኣምጺኦም መንዲል ክሰፍዩ ኣብ ዝሓተትናሉ፡ ገለ ተመሃሮ ነታ ጨርቂ ክዕድጉ ዓቕሚ ስለዘይብሎም፡ በቲ ዘለዎም ተመሃሮ ዘምጽእዎ ገይርና ክንምህሮም ተገዲድና” ትብል። እታ መምህር ኣስዒባ፡ ገለ መምሃራን ነዚ ሓዲሽ ዓይነት ኣመሃህራ ከም ረብሓ ብምጥቃም፡ ንተመሃሮ መምህሪ ዝኸውን ስጋ ኣምጽኡ ከምዝብልዎም ትሕብር። እዛ ክስተት ናይ ደርሆ ኣብ መስከረም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስ ተዘርገሐት፡ መምሃራን ተመሃሮ ዘምጽእወን ደርሁ ኣብ ውሽጢ ኦፊስ ኰይኖም እናበልዑ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስ ተዘርግሐ፡ ብዙሓት ብቝጠዐ ርእይቶኦም ክህቡ ተራእዮም። ኣብ ምዕራብ ኬንያ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ዝዀነ ዲድሙስ ባራሳ፡ \"ንኸብዶም ዘይብሎም ወለዲ ብደቆም ኣቢልካ ደርሆ ኣምጽኡ ምባል ኣይግቡእን’ዩ\" ይብል። እቲ ናይቶም ተመሃሮን ናይታ ደርሆን ዛንታ፡ ናብ እዝኑ ዝበጽሖ ሓድሽ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ነቲ ኣብ እዋን ኡሁሩ ኬንያታ ዝተኣታተወ ሓድሽ ኣገባብ ኣመሃህራ ዝግምግም 49 ኣባላት ዝሓቘፈ ሓይሊ ዕማም ኣቚሙ ኣሎ። እቲ ሓይሊ ዕማም፡ እቲ ኣገባብ ኣመሃህራ ይቐጽልዶ ይቋረጽ ኣብ ዝብል ነጥቢ ቅድሚ ወርሒ ጥሪ ርእይቶኡ ክህበሉ’ዩ። ገለ ወለዲ ነቲ ሓዲሽ ዓይነት ኣመሃህራ’ኳ እንተዘይጸልእዎ፡ ሕጽረት መጻሕፍትን ጉድለት ሚዛንን ከምዘለዎ ይማጐቱ። ሮዚና ኪሲሉ፡ ኣብ ናይሮቢ ትነብር ኣደ ክልተ ቈልዑ እያ፡ ንሳ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ፡ “ጓለይ ራብዓይ ክፍሊ’ያ፡ 12 ዓይነት ትምህርቲ ኸኣ ትመሃር፣ ኵሉ ኸኣ ብተግባር ዝስነ’ዩ፣ ዝበዝሐ ግዜ ነቲ ብተግባር ዝስራሕ ዕዮታት ኣብ ምስራሕ ስለ ዘሕልፍዎ፡ ነቲ ኣብ ከፍሊ ክምሃርዎ ዝግባኦም ኣይሽፍንዎን’ዮም፡” ትብል። ኣብ ኬንያ፡ ተመሃሮ ኣብ ሓደ ዓመት ሰለስተ ሰሚስተር’ዮም ዝመሃሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግን ነቲ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝተኸሰረ ግዜ ንምክሕሓስ ኣብ ሓደ ዓመት ኣርባዕተ ሰሚስተር ከምዝመሃሩ’ዩ ተገይሩ። ኣብ ልዕሊኡ፡ እቶም መምሃራን’ውን ነዚ ሓድሽ ዝተኣታተወ ኣገባብ ኣመሃህራ ሓደስቲ ስለዝዀኑ፡ ነቲ ኣገባብ ንምርዓም ግዜ ከምዘድልዮም’ዩ ዝግለጽ። ኣብ ጭው ዝበለ ገጠር ዝርከቡ ተመሃሮ፡ ምሕንባስ ብተግባር ንኽመሃሩ ንዝወጽአ መደብ፡ ኣብቲ ከባቢ ቀላይ ወይ መሕበሲ ጋብላ ስለዘይብሎም ኣብ መሬት ሰፋሕፋሕ እናበሉ ልክዕ ከምዝሕምብሱ ዘለዉ ከንገርግሩ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ብዙሓት ርእይቶኦም ክህብሉ ተራእዮም’ዮም። ኣብ ናይሮቡ ዝምህሩ ማርዮንን ሙዶንን ግን፡ እቲ ብተግባር ዝግበር ዓይነት ትምህርቲ ከከም ከባቢኡ ክርዓም ከምዝከኣል’ዮም ዝገልጹ። “ገለ ነገራት ኣዝኡ ይጋነን ኣሎ፡ እዚ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ንርእዮ ዘለና፡ ካብቲ ዝተውሃበና መምርሒታት ወጻኢ’ዩ። ምስ ግዜ መምሃራን ኵሉ ብተግባር ክግበር ከምዘይክእል ክርድኦም ክጅምር’ዩ።\" ሃገራዊ ማሕበር መምሃራን ኬንያ’ውን፡ ምምሃራን ግቡእ ስልጠና ክሳብ ዝወሃቦም እቲ ስርዓተ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ከይተኣታቶ ምሕጽንታ ኣቕሪቡ’ሎ። ዳይረክተር ናይ ሓደ ብሕቲ ቤት ትምህርቲ ናይሮቢ፡ ሶፍያ ምቤቪ፡ እቲ ሓድሽ ኣገባብ ኣመሃህራ ጽቡቕ ተበግሶ'ኳ እንተነበሮ፡ ኣዝዩ ብታህዋኽ ከምዝተተግበረ ትዛረብ። እታ ንሳ ተምህረላ ቤት ትምህቲ፡ ኣማራጺ ስርዓተ ትምህርቲ ትህብ - እዚ ድማ ብመሰረት ሕጊ ኬንያ ብክፍሊ ትምህርቲ ክሳብ ዝጸደቐ ንብሕቲ ትካላት ፍቝድ እዩ። ገለ ዓቕሚ ዘለዎም ወለዲ፡ መጻኢ ደቈም ከምዚ ኣብ ፈተነ ዝተምስረተ ክኸውን ስለዘይደልዩ፡ ከምዚ ኣማራጺ ስርዓተ ትምህርቲ ዘለወን ናይ ብሕቲ ኣብያተ ትምህርቲ ይመርጹ ኣለዉ። ሚስ ምቤቪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ \"ንሓደ ስርዓተ ትምህርቲ ምጽጋን ርሑቕ ዝኸይድ ጽልዋ ኣለዎ። ቅድሚ ምሉእ ምዝርጋሕን ምስፋሕን ጸጋታትን መምህራን ምስልጣንን ብዙሕ ክስራሕ ኣለዎ።\" \"ትምህርቲ ፖለቲካዊ ምግባር ደው ኣቢልና፡ ንህጻናት ብቕዓትን ጽሬትን ዘለዎ ትምህርቲ ንምርግጋጽ ቅኑዕ ነገር ክንገብር ከም እንኽእል ጥራይ ተስፋ እገብር።\"","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c0w57qkx99vo"} {"headline":"ካብ ትዊተር ‘ዝእግደኒ የለን’፡ ዩጋንዳዊ ጀነራል ሙሁዚ ካይነሩጋባ","content":"ንጉዳይ መንግስቲ ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ ትዊተር ርእይቶ ከይህብ ብኣቡኡ ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሰቨኒ መምርሒ ዝተወሃቦ ዩጋንዳዊ ጀነራል ሙሁዚ ካይነሩጋባ፡ \"ካብ ዝኾነ ይኹን ነገር ዝእግዶ\" ከምዘየለ ገሊጹ። እቲ ጀነራል ንጎረቤት ሃገር ኬንያ ክወርር ምዃኑ ዘፈራርሓሉ ኣካታዒ ትዊተር ድሕሪ ምጽሓፉ፡ እቲ ፕረዚደንት ትማሊ ሶኑይ፡ \"ብዛዕባ ካልኦት ሃገራትን ፖለቲካ ዩጋንዳን ካብ ምዝራብ\" ከምዝርሕቕ ኣፍሊጡ ነይሩ። ጀነራል ሙሁዚ ካይነሩጋባ ይቕረታ ሓቲቱ እንተነበረ’ኳ፡ እቲ ፕረዚደንት ዝሃቦ መምርሒ ስዒቡ ኣብ ዘውጽኦ ምላሽ ግን \"ገለ ዓይነት ቀልዲ\" ድዩ ክብል ሓቲቱ’ሎ። እቲ ጀነራል ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ንኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ብዛዕባ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ብዝህቦ ርእይቶታት ኣዘራራቢ ኮይኑ ምቕናዩ ይፍለጥ። ብፍላይ ንትግራይን ኬንያን ዝመልከቱ ጽሑፋቱ ኣካታዕትን ኣዘራረብትን ኮይኖም ጸኒሖም’ዮም። ሰንበት 22 መስከረም 2015 ዓ.ም (ኣቆፃፅራ ግእዝ) ብትዊተሩ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ \"ትግራይ ኩሉ ግዜ ኣብ ልበይ እያ ዘላ! ንትግራይ ከፍቅርን ክሕልዋን ካብ ፈጣሪይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዋህበኒ ትእዛዝ እዩ\" ከምዝበለ ይዝከር። ድሕሪ ዝተወሰኑ ሰዓታት ድማ \"ሚኒሊክ ዳግማዊ ኣቦሓጎና እዩ። ኢትዮጵያ ኣካል ምብራቕ ኣፍሪቃ እያ። ክትዓኑ ኣይንፈቅድን። ንኹሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነፍቅር!\" ክብል ካልእ ጽሑፍ ዘርጊሑ። ነዚ ስዒቡ ብፍላይ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያውያን ኣዘራራቢ ከምዝኾነ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ዝዝርግሑ ጽሑፋት የመልክቱ። እቲ ጀነራል ኣብ ጥቅምቲ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ንሓይልታት ትግራይ ከምዝድግፍ ኣብ ዝገለፀሉ ናይ ትዊተር መልእኽቱ፡ \"ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ . . . ነቲ ዕላማኹም ይድግፎ እየ። ንተጋሩ ኣሓትና ዝደፈሩን ንኣሕዋትና ዝቐተሉን ክቕፅዑ ኣለዎም\" ኢሉ ነይሩ። ጀነራል ሙሆዚ ካይነሩጋባ፡ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ንምቁጽጻር ንዕኡን ንሰራዊቱን ክልተ ሰሙን ጥራይ ከምዝወስደሎም ኣብ ትዊተሩ ዘስፈሮ ጽሑፍ ኣብ ልዕሊ ኬንያውያን ቅረታ ኣልዒሉ ከምዝነበረ’ውን ይዝከር። ነዚ ስዒቡ ድማ ፕረዚደንት ዩጋንዳ ወዱ ኣብ ትዊተር ብዝፀሓፎ ይቕረታ ​​ሓቲቱ ነይሩ። “ኣብ ትዊተር ካብ ምጽሓፍ ይርሕቕ ኣሎ። ተዘራሪብናሉ ኢና። እቲ ጸገም ትዊተር ኣይኮነን። እቲ ጸገም እቲ እትጽሕፎ ጽሑፍ እዩ” ክብል ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ንቴሌቪዥን ዩጋንዳ ተዛሪቡ። እቲ ፕረዚደንት ብዛዕባ ካልኦት ሃገራትን ፖለቲካዊ ጉዳያት ዩጋንዳን ክዛረብ ከምዘይግብኦን ክዛረብ ከምዘይብሉን ወሲኹ ይገልጽ። ሙሰቨኒ፡ ወዱ ብዛዕባ \"ስፖርትን ኣካታዒ ዘይኮኑ ጉዳያትን\" ጥራይ እዩ ኣብ ትዊተር ክጽሕፍ ዝኽእል ይብል። እቲ ፕረዚደንት ከምዚ ድሕሪ ምባሉ፡ እቲ ወዲ 48 ዓመት ጀነራል፡ “ኬንያውያን ጋዜጠኛታት ንኣቦይ ካብ ትዊተር ከእግደኒ ይሓቱ ከምዘለዉ ይሰምዕ ኣለኹ። እዚ ቀልዲ ድዩ? ኣነ ቆልዓ ኣይኮንኩን፡ ካብ ዝኾነ ነገር ዝዕግደኒ የለን!” ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። ብኣንጻሩ መንግስቲ ዩጋንዳ፡ ንርእሱ ካብቲ እቲ ጀነራል ኣብ ትዊተር ገጹ ብተኸታታሊ ዝዝርግሖም ኣካታዕቲ ጽሑፋት ከምዝርሓቐ ይፍለጥ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዩጋንዳ፡ መንግስቲ ዩጋንዳ ምስ ኬንያ ዘለዎ ድልዱል ክልተኣዊ ዝምድና ኣኽቢሩ ከም ዝዕቀቦ ይገልጽ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4n2dr2vdjmo"} {"headline":"ንረድኤት ኢዳ ትዝርግሕ ኢትዮጵያ፡ ብሓቂ ድያ ብስርናይ ርእሳ ክትክእል?","content":"ኬንያ፡ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ኢትዮጵያ ስርናይ ንምእታው ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐት ኣፍሊጣ ነይራ። ቤት ምኽሪ መንግስቲ ኬንያ ነዚ ዝገለጾ፡ ሓድሽ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ንፈለማ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ድሕሪ ምክያዱ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ክልተኣዊ ዘተ ምክያዱ ስዒቡ እዩ። ኣብዚ ተመሳሳሊ እዋን፡ ምስ ስርናይ ዝተተሓሓዘ ዜና ድማ፡ ንኢትዮጵያ ካብ ዩክረይን ዝኣቱ ረድኤት ሓገዝ እኽሊ ምህላው እዩ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ እቲ ረድኤት ነቲ ብኲናትን ብርቱዕ ድርቅን ንዝተሃስዩ ሚልዮናት ነበርቲ ንምምጋብ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ከምዝድግፍ ሓቢሩ። ምስዚ ተጋራጫዊ ሓሳባት ተተሓሒዙ፡ ሓንቲ ረድኤት ትሓትት ዘላ ሃገር ንርእሳ ከይከኣለት፡ ከመይ ኢላ ስርናይ ክትሰድድ ትኽእል ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ ኣሎ። ኢትዮጵያ፡ ዋላ'ኳ እቲ ዝበዝሕ ኣብ መዓሙቕ ድኽነት ጥሒሉ ዝነብር ህዝባ ንምምጋብ ካብ ደገ ሓገዝ ዘድልያ እንተዀነት ኣብ ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ኣፍራይት ስርናይ እያ። እንተዀነ፡ እቲ ስርናይ ነቲ ጠለብ ውሽጢ ሃገር ክትሽፍኖ ኣይከኣለትን። ስለዚ እዩ ድማ እታ ሃገር ነቲ ሕጽረት ንምምላእ ወፍሪ ብምግባር ስርናይ ካብ ወጻኢ ተእቱ ዘላ። ነዚ ታሪኽ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምቕያር፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰለስተ ዓመታት፡ ጠለብ ህዝባ ንምምላእን ናብ ወጻኢ ንምልኣኽ ዝዓለመን ኣብ ሰፊሕ ምህርቲ ስርናይ ተዋፊራ ትርከብ። ኦሮሞታይ ሓረስታይ ተወላዲ ወረዳ ሉሜ ከባቢ ቆቃ፡ ኣቶ እንግዳ ብሩ፡ ኣብ ትሕቲ መደብ ምልማዕ ስርናይ ሓጋይ፡ ኣብቲ ሽጉርትን ኮሚደረን ዘልምዓሉ ሕርሻ፡ ብመስኖ ስርናይ ጥራይ ከፍሪ ከም ዝኽእል ብመንግስቲ ምስ ተነግሮ፡ ስክፍታ ፈጢርሉ ነይሩ። “ቀዳማይ ነገር፡ ሓድሽ እዩ። ቅድሚኡ ኣብ ሓጋይ ብመስኖ ዝበቁል ስርናይ ርኢና ኣይንፈልጥን። ካልኣይ፡ እቲ መኽሰብ ምስ ካልኦት ፍርያት ተነጻጺሩ ትሑት እዩ፤ ምኽንያቱ ዋጋ ሓደ ኪሎ ሽጉርቲ 40 ብር ክኸውን እንከሎ፡ ዋጋ ሓደ ኪሎ ስርናይ ግን ካብኡ ይንእስ።” ብድጋፍ ክኢላታት ናብ ምህርቲ መስኖ ስርናይ ዝኣተወ ኣቶ እንግዳ፡ ብዓይኒ ዕዳጋ ሽጉርቲ ምብቋል የኽስብ ብዝብል ሓሳብ፡ ብመንጽር ወጻኢታትን ጠለብ ማይን፡ ስርናይ ሓጋይ ዝያዳ ውጽኢታዊ ኰይኑ ከምዝረኸቦ ይዛረብ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ወቕቲ ክረምቲ ቅድሚ ምእታው፡ ኣብ ሓጋይ ካብ ሽዱሽተ ሄክታር መሬት 320 ኩንታል ስርናይ ከምዝረኸበ ንቢቢሲ ሓቢሩ። እቶም ሓረስቶት፡ ኣብ ወቕቲ ስርናይ ሓጋይ ዘጋጥሙ በላዕቲ ኣዕዋፍ ክከላኸሉ እንተኽኢሎም፡ ዝሓሸ መሳለጥያታት ምርባሕ እንተረኺቦም፡ ኣፍራይነቶም ዝያዳ ከም ዝውስኽ ይኣምኑ። ኣብ እዋን ክረምቲ ካብ ሓደ ሄክታር ብማእከላይ ገምጋም 32 ኩንታል ስርናይ ምርካብ ዝከኣል ኰይኑ፡ ኣብ ሓጋይ ድማ ካብ ሓደ ሄክታር ክሳብ 45 ኩንታል ከምዝርከብ ምክትል ሓላፊ ሕርሻ እቲ ክልል የረድእ። ኣብ ገሊኡ ቦታታት፡ ስርናይ ሓጋይ ካብቲ ንቡር ዘራእቲ ክረምቲ ዕጽፊ ምዃኑ ድማ ይዛረብ። እቶም ሓረስቶት፡ ካብ መንግስቲ ዘመናዊ ድኹዒ፡ ዘርእን ሞያዊ ደገፍን ከምዝረኽቡ እውን ይዛረቡ። ኣቶ እንግዳ፡ ኣብ ግራቱ ጉድጓድ ማይ ብምፍሓር፡ ኣብ ወቕቲ ሓጋይ፡ ስርናይ ከም ዝዘርአ ይዛረብ። ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ሄክታር መሬት መስኖ ክህብ ዝኽእል ዒላ ንምዅዓት ክሳብ 40 ሽሕ ቅርሺ ከምዝሓተቶ ኣይሓብአን። ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ኦሮሚያ ኣቶ ጌቱ ኣብ ምብራቕ ሽዋን፡ ኣብ ሃጓፍ ስንጭሮ [ሪፍት ቫሊ] ኣብ ዝርከቡ ቦታታት፡ ካብ ሸውዓተ ክሳብ 10 ሜትሮ ዕምቈት ዘለዎ ማይ ዒላ ናይ ምርካብ ዓቕሚ ኣብ ፈተነ ዝረኸብዎ ጽቡቕ ተመኵሮ ምዃኑ የመልክት። እቲ ሓላፊ፡ እዚ ሜላ ዘይተለምደ እንተዀነ'ኳ፡ ብቐጻልነት ምህርቲ ስርናይ ሓጋይ ትርጕም ዘለዎ ኣበርክቶ ከም ዘለዎ ይገልጽ። ኣብ መብዛሕትኡ እዋን፡ ጸጋታት ምፍራይን ሞያዊ ደገፍን ብግቡእ ንምጥቃም፡ ከምኡ’ውን ወራር ኣዕዋፍ ንምክልኻል፡ ስርናይ ሓጋይ ኣብ ዝተበታተነ ግራውቲ ንኣሽቱ ሓረስቶት ዘይኮነስ፡ ብኩታ-ገጠም [ሓዊስካ] እዩ ዝለምዕ። ብተወሳኺ ኣብ እዋን ሓጋይ፡ ብብዕራይ ምሕራስ ኣጸጋሚ ስለዝዀነ ኣብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ትራክተራት ሕርሻ ናይ ምቕራብ ስርሓት ከምዝተሰርሐ ይግለጽ። ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ሕርሻ ክሰርሕ ከም ዝጸንሐ ዝገልጽ ወዲ 29 ዓመት እንግዳ፡ ኣስታት 25 ሄክታር መሬት ተኻርዩ ሽጉርትን ኮሚደረን ኣፍርዩ ናብ ዕዳጋ ከቕርብ ከም ዝጸንሐ ይዛረብ። ይዅን እምበር፡ መንግስቲ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ፡ ንዕኡን ካልኦት ነበርትን ቀበሌ ቆቃ፡ ወረዳ ሉሜ፡ ኣብቲ መሬቶም ስርናይ ሓጋይ ከብቁሉ ምግዳድ ከምዝጀመረ ይዛረብ። ሓረስቶት ክራይ መሬት፡ ትራክተር፡ ነዳዲ፡ ማይን ካልኦት ወጻኢታትን ብምሕሳብ፡ ኣየናይ ፍርያት ኣብ ኣየናይ ወቕቲ ክዘርኡ ከምዘለዎም ዝበለጸ ይፈልጡ እዮም ዝብል እምነት ኣሎ። ንሱን ካልኦትን፡ ስርናይ ንምፍራይ ዋላ'ኳ ተገዳስነት እንተሃለዎም፡ ሓለፍቲ መንግስቲ እቲ ወረዳ ግን፡ ብግዴታን ኣንጻር ድሌቶምን መደቦምን ከገድድዎም ምርኣይ ግቡእ ከምዘይኰነ ንቢቢሲ ይገልጽ። ኣብዚ ሓጋይ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሓጋይ ስርናይ ዘብቁልሉ ግራት፡ ሽጉርቲ ከም ዝተኸሉ ይዛረብ። እንተዀነ፡ ሰበስልጣን መንግስቲ እቲ ከባቢ 'ንምንታይ ስርናይ ዘይትተኽሉ?' ብምባል ካብ ምፍርራሕ ሓሊፎም፡ ነቲ ዝተኸልዎ ሽጉርቲ ከብቁልዎ ከምዘገደድዎም ይዛረብ። ኣቶ እንግዳ፡ ንቢቢሲብ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብዙሓት ሓረስቶት ሞተር-ማይ  ብሰበስልጣን ቀበሌ ከምዝተወሰዱን፡ 10 ካብቶም ሓረስቶት ድማ ንኽልተ ሰሙን ተኣሲሮም ከምዝተፈትሑን ሓቢሩ። ንላዕለዎት ኣካለት መንግስቲ ጥርዓን ምስ ኣስምዑ፡ ስግኣታት መራሕቲ ወረዳን ቀበሌን ንግዚኡ ሃዲኡ ከምዘሎ ይዛረብ። ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ጌቱ ገመቹ ግን፡ ብኩታ-ገጠም ኣቢሉ ብመስኖ ዝፈሪ፡ ስርናይ ወቕቲ ሓጋይ ሓድሽ ስለዝዀነ ምጥርጣራት ከምዘሎ የረድእ። “ኣሽንኳይ ሓረስቶት፡ ‘ቶም ሰብ ሞያን ሓለፍቲ መንግስትን’ውን ኣብ ሓጋይ ስርናይ ብኸመይ ይፈሪ ዝብል ሕቶ ፈጢርሎም ነይሩ። ድሒሩ ግን፡ እቲ ኣፍራይነት ካብ ከበሳታት ክሳብ ቆላታት ዘዋጽእ ምዃኑ ብመጽናዕቲ ተረጋጊጹ። ስለዚ ኣብ ኵሉ ደረጃታት ዝርከቡ ሓረስቶት ብዛዕባ ስርናይ ሓጋይ ኣፍልጦ ረኺቦም እዮም\" ይብል። \"ሕጂ በዓል ዋና እቲ ጉዳይ ባዕሉ’ቲ ሓረስታይ ኰይኑ ኣሎ\" ብምባል ብምርድዳእን ምትእምማንን ከምዝስራሕ እዩ ዝዛረብ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝበዝሕ ምህርቲ ስርናይ ብንኣሽቱ ሓረስቶትን ካብ ዝናብን እዩ ዝሳለጥ። ይዅን እምበር፡ ብመሰረት ዝተረኽበ መረዳእታ፡ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ምህርቲ መካናይዝድ ሕርሻ ብዕጽፊ ከምዝወሰኸ የመልክት። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት መንግስቲ፡ 'ኩታ-ገጠም' (ክላስተር)ን መካናይዝድ ሕርሻን ብምድንፋዕ፡ ከም ድዅዒን ምሩጽ ዘርእን ዝኣመሰሉ እተወታት ክድጉም ከምዝጸንሐ ይዝረብ። እታ ሃገር፡ እዚ ትልምታት ብምጥቃም፡ ክሳብ 2023 ዘለዋ ጠለብ ስርናይ፡ ብውሽጣዊ ምህርቲ ንምምላእን ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ስርናይ ደው ንምባልን ​​መደብ ከምዘለዋ መንግስቲ ይገልጽ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ብሜላ መደብ ኩታ-ገጠም፡ ኣብ ሓጋይ ስርናይ ዝፈሪ ምህርቲ ዝሓሸ ምዃኑ ኣብሪሁ፡ ስርናይ ካብ ወጻኢ ከይኣቱ ውጥን ተታሒዙ ከምዘሎ እውን ገሊጹ። ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ካብ ከበሳታት ክሳብ ቆላ፡ መልክዓ ምድርን ክሊማን እታ ሃገር ንፍርያት ስርናይ ኣዝዩ ምቹእ ምዃኑን፡ ነዚ ጸጋ ብግቡእ ብምጥቃም፡ ታሪኽ እዛ ሃገር እትፍለጠሉ ፤ 'ልማኖ' ስርናይ ንምቕያር ጻዕርታት ይግበር ከምዘሎ ይዛረቡ። ዶ\/ር ደምስ ጫኔ፡ ካብ ግዜ ኢህወደግ ጀሚሩ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ስርሓት ፖሊሲን ምርምርን ሕርሻ ዝነጥፍ ምሁር እዩ። ኣብዚ ጉዳይ ሓሙሽተ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ኣዳልዮ ኣሎ። ሓደ ካብኦም፡ ኣብ 2015 ብእንግሊዝኛ ዝተዳለወ፡ 'ኢትዮጵያ ሕርሻኣ ከመይ ገይራ ዘመናዊ ክትገብር ኣለዋ' ዝብል መጽሕፍ ይርከቦም። ንሱ፡ ምስ ካልኦት ምሁራት ወጻኢ ብምዃን፡ ነቲ ኣብ ዝናብ ዝምርኮስ ሕርሻ እታ ሃገር ሓራ ንምውጻእ፡ መስኖ መሰረት ዝገበረ ሕርሻ ክተኣታቶ ሓሳብ ኣቕሪቡ። ይዅን እምበር፡ ኣብቲ እዋን ምህርቲ ስርናይ ብመስኖ ብዙሕ ከምዘይተሰርሐሉ ይዝክር። \"ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግን፡ ብመስኖ ስርናይ ንምፍራይ ዝተሸፈነ ስፍሓት መሬት፡  670 ሽሕ ሄክታር በጺሑ\" ይብል። ብመሰረት እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኢካርዳ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ሰፊሕ ስርናይ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ኣለዋ። እዚ መረዳእታታት ከምዘመልክቶ፡ ኣብ 2020 ብመስኖ ዝለምዐ ስፍሓት መሬት እታ ሃገር፡ 20 ሽሕ ሄክታር ጥራይ ነይሩ። ኢትዮጵያ ባጀታ ብምንካይ፡ ብሸርፊ ወጻኢ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝኣቱ ስርናይ ደው ብምባል፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘድሊ ቀረብ ስርናይ ንምምላእ ትጽዕር ኣላ። ብመሰረት መረዳእታ፡ እታ ሃገር 70 ሚእታዊት ጠለብ ስርናይ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፍጠር ኰይኑ፡ 30 ሚእታዊ ድማ ብመልክዕ ዕድጊ ወይ ረድኤት ካብ ወጻኢ ዝኣቱ እዩ። ንዝተፈላለዩ ምኽንያታት፡ ደገፍ ንዘድልዮም ህዝቢ ብናይ ወጻኢ ሓገዝ ዝሽፈን እዩ። ብሰንኪ ዝተናውሐ ድርቂ፡ ኲናትን ዝተፈላለዩ ሰብ-ሰርሖምን ተፈጥሮኣዊ ጸገማትን፡ ኣብታ ሃገር ብሚልዮናት ዝቝፀሩ ዜጋታት ሓገዝ የድልዮም ኣሎ፤ ነዚ ድማ ሕጂ'ውን ስርናይ ካብ ወጻኢ ይኣቱ ኣሎ። ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ካብ ዩክረይን ብፕሮግራም መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት ኣቢሉ፡ ናብ ኢትዮጵያ ዝመጸ ስርናይ ይጥቀስ። ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይን ኣብ መዳውብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን፡ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ክሳብ 9 ሚልዮን ዝበጽሕ ህዝቢ ሓገዝ የድልዮ ኣሎ። ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዜጋታት ብሰንኪ ድርቂ ህጹጽ ረድኤት ከምዘድልዮም ይግለጽ። ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ 'ኢትዮጵያ ከመይ ገይራ ስርናይ ናብ ወጻኢ ሰደድ ትገብር?' ዝብል ሕቶ ዝለዓል ይመስል። ኣቶ ጌቱ እቲ ሕቶ ዘገርም ከምዘይኰነ የረድእ። \"ህዝቢ ክንዲ ዝተረድኦ ይዛረብ\" ዝብል ኣቶ ጌቱ፡ \"ኢትዮጵያ ከመይ ገይራ ስርናይ ሰደድ ትገብር?\" ዝብል ሕቶ ብተግባር ዝረኣይዎ ምዃኑ ይሕብር። ተመራማሪ ዶክተር ደመስ ጫነ፡ ብወገኑ ምስቲ \"ንግዲ ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ\" ዝብል ኣበሃህላ ኣይሰማማዕን እዩ። “ኣብዚ ዳሕረዋይ እዋን ከም ዝተባህለ ኣይኰነን። ክንዛረብ ከለና ብመጽናዕቲ ኢና እንድግፎ። መጀመርያ ኢትዮጵያ ካብ ወጻኢ ስርናይ ምግዛእ ደው ከተብል ኣለዋ ኢልና። እዚ ሓሳብ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር መለስ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝቐረበ እዩ። ኣብቲ እዋን ኣስታት 600 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ስርናይ ካብ ደገ ከም ዝዕደግ ይዝክሩ። ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ እዋን ለውጢ መንግስቲ፡ ዓቕሚ ምፍራይ እታ ሃገር እንታይ ክመስል ከም ዘለዎ ዝምልከት፡ ተወሳኺ መጽናዕቲ ናብ መንግስቲ ከም ዘቕረቡ ይዝክር። “ቀዳማይ ነገር፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጠለብ ክንሽፍኖ ኣለና። ንሱ ሸፊንና ክንነብር እንተኽኢልና፡ ንሰደድ ንግዲ ዝውዕል እንተዀይኑ ጸገም የብሉን።\" \"ስርናይ ይሽየጥ ኣይሸየጥ\"፡ ዝብል ስክፍታ የብለይን ዝብል ዶ\/ር ደመስ፡ ብቐንዱ \"ብዘላቕነት ብኸመይ ክስርሓሉ ይኽእል?\" ዝብል ሕቶ የልዕል። ብተወሳኺ ብመልክዕ ሓገዝ ናብ ሃገር ዝኣቱ ሓገዝ ስርናይ፡ ኣብቲ ብኲናት ዝተመዛበሉን ብድርቂ ዝተሃስየን ከባቢታት ስለዝበጽሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ይኣምን። ብኢህወደግ ዝምራሕ መንግስቲ፡ ሕርሻ-መሪሕ [ኣድሊ] ዝዀነ ቁጠባዊ ፖሊሲ ዘሰጕም ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ንሓያሎ ዓመታት ተኸታቲሉ፡ ሓፈሻዊ ቍጠባዊ ዕብየት እታ ሃገር ብኽልተ ኣሃዝ ከምዝነበረን፡ ጽላት ሕርሻ ድማ ልዑል ብጽሒት ከምዝነበሮን መረዳእታታት ይሕብሩ። ኣብ መጽናዕቱ፡ ንብቕዓትን ድኽመትን 'ኣድሊ' ዝገምገመ ዶክተር ደምስ፡ \"እቲ ኣቐዲሙ ዝተተግበረ ፖሊሲ ውጽኢት ኣየምጽአን ማለት ዘይኮነ፡ እቲ ዝተረኽበ ውጽኢት ግን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክሰጋገር ነይርዎ\" ይብል። ስርዓት ሕርሻ ኣድሊ፡ ኣብ መሬትን ጉልበትን ዝተመስረተ ምንባሩ ብምጥቃስ፡ ኣብ ርእሰማል ዝተመስረተ እንተዀይኑ ዝያዳ ውጽኢት ክረጋገጽ ከምዝኽእል ኣንጸባሪቑ። ከም ኣገላልጻኡ፡ እዚ ናብ መካናይዝድን ዘመናውን ሕርሻ ዝሰጋገረሉ መገዲ ምዃኑን፡ ምስፍሕፋሕ ንግዳዊ ሕርሻታት ከም ኣብነት ይጠቅስ። ዶክተር ደምስ ከም ዝበሎ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ \"ካብ መሬትን ጉልበትን ዝቐንዐ ስትራተጂ ናብ መካናይዘሽን ንምስግጋር ዝግበር ምንቅስቓሳት\" ኣሎ። ንሱ ወሲኹ፡ \"ብርግጽ እዚ ካብቲ ዝጸንሐ ፖሊሲ ዝተፈልየ እዩ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና\" ኢሉ። \"ክስተኻኸል ዘለዎ ፖሊሲታትን ስትራተጂታትን ከስተኻኽል ዝጸንሐ ኰይኑ፡ እዚ መደብ፡ ኣብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ሓያል ጐድኒ ዝመንጨወ 'ምበር፡ ሓድሽ ክስተት [ፖሊሲ] እዩ ዝብል እምነት የብለይን።\" “ምሉእ እኽሊ እንተ ኣፍሪና፤ ኣብቲ ዝድለ ደረጃ ክበጽሕ ንምግባር መደብን ኣሰራርሓን ምትካል ኣድላዪ እዩ\" ይብሉ። ዶ\/ር ዮሴፍ ገብረሃዋርያት ሓደ ካብቶም ነዚ ዓውዲ ዘጽንዑ ክኢላታት እዩ። ንሱ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ባዮቨርሲቲ ኢንተርናሽናል [ሲኣይኣር]ን ሲጂኣይኣር ሰንተርን፡ ዓለም ለኻዊ ሳይንቲስት ኰይኑ፡ መጽናዕቱ ኣብ ኣገዳስነት ምጥቃም ዝተፈላለዩ ዓሌታት ዘርኢ ዘተኮረ እዩ። \"ከምቲ ዝተበሃለ፡ ኣብ ምህርቲ ስርናይ ዓርስና ክኢልና፡ ንወጻኢ ሰደድ ናይ ምግባር ዓቕሚ ኣሎና። እቲ እንሰርሓሉ ኣገባብ ምምራጽ ግን ኣገዳሲ'ዩ\" ኢሉ። ንሱ፡ ኩታ-ገጠም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብኸመይ ይትግበር ከምዘሎ \"ዓሚቝ ሓበሬታ የብለይን\" እኳ እንተበለ፡ ሓሓሊፎም ዝረኣዩ ዝብሎም ጸገማት የልዕል። እቲ ተመራማሪ፡ ስርናይ ኣክንዲ ካልኦት ፍርያት እዩ ዝፈሪ ዘሎ፡ ዝብል ስክፍታ ኣለዎ። \"ካልኦት ዘራእቲ ዝበቍሉ ዝነበሩ ከባቢታት 'ዲስፕላስ' [ብምትካእ] እንተዀይኑ፡ ምህርቲ ስርናይ ክውስኽ ይኽእል'ዩ። ኣብ ምህርቲ ናይቲ ዝተገደፈ ዘራእቲ ግን ምንካይ ክህሉ ይኽእል'ዩ\" ክብል ገሊጹ። እቶም ብቢቢሲ ቃለ መጠይቕ ዝተገብረሎም ክልተ ሓረስቶት፡ እቲ ሽጉርትን ኮሚደረን ዘፈርዩሉ ዝነበሩ ሕርሻ፡ ሕጂ ስርናይ ይለምዓሉ ከምዘሎ ይዛረቡ። እዚ ድማ፡ ነቲ ዕላማ በግቡእ ዘይምርዳእ ዝፈጠሮ ክኸውን ከም ዝኽእል እቲ ተመራማሪ ይግምት። \"እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝትግበር ዘሎ መደብ 'ኩታ-ገጠም' ሓደ ሜላ'ዩ\" ዝብል እቲ ተመራማሪ፡ ኣብ ድሌት ሓረስቶትን ኣብ ምርድዳእ ዝተመርኮሰን ክኸውን ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለዎም። “ኣብ ዝተቘራረጸ ዋንነት መሬት ዘለዋ ሃገር፡ ብሓባር ክትውጥንን ክትሰርሕን ኣጸጋሚ እዩ። ስለዚ ከምዚ ዓይነት ኣገባባት ምትእትታው ግቡእ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ግቡእነት ግን ኣብ ድሌት ሓረስቶት ማእከል ዝገበረ ክኸውን ምስ ዝኽእል ጥራይ እዩ ቅኑዕ ዝኸውን፡\" ኢሉ። ብመንጽር ቀጻልነት እቲ ኣሰራርሓ'ውን ኣብ ሓደ ዘራእቲ ጥራይ ትዅረት ምግባር ኣብ ነዊሕ እዋን ንተፈጥሮኣዊ ከባቢ ክጐድእ ከምዝኽእል ይገልጽ። \"እቲ ተግባር 'ንብዙሕነት ህይወት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ' ክኸውን ይኽእል'ዩ። ሓደ ዓይነት ዓሌት ዘርኡ ጥራይ እንተፈርዩ፡ ንለውጢ ክሊማ ዘለዎ ተቓላዕነት ክውስኽ ይኽእል። ምኽንያቱ፡ ነቲ ዓይነት ዓሌት ዘርኢ ዘጥፍእ ፍጻመ እንተ ኣጋጢሙ ሕማቕ ሳዕቤን ስለ ዘስዕብ።\" “ብሐጺሩ፡ ኣብ ሓደ ከባቢ ስርናይ ጥራይ ክፈሪ የብሉን። ካልእ ዘራእቲ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ክዝራእን ክቕየርን ይግባእ። ኣብ ተፈጥሮኣዊ ጸጋን ብዙሕነት ሕርሻን ዝተመስረተ ክኸውን ይግባእ\" ኢሉ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/clk248rwxw3o"} {"headline":"ካልኣይ ዙር ልዝብ ናይሮቢ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ተዛዚሙ","content":"ኣብ መንጎ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ህወሓትን ኣብ ኬንያ ክካየድ ዝቐነየ ካልኣይ ዙር ልዝብ ከምዝተዛዘመ ኣደራደርቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣፍሊጦም። ኣባል ናይቲ ነቲ ስምምዕ ሰላም ንምስላጥን ንምክትታልን ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝቖመ ገጅለ (ፓነል) ዝኾነ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ንክልተ መዓልታት ዝተኻየደ ርክብ ክልቲኦም ወገናት ዕዉት ምንባሩን ናብ ትግባረ ከምርሕ ተስፋ ከምዘለዎን ተዛሪቡ። ክልቲኦም ወገናት፡ ንጉዳይ ሓባራዊ ምክትታልን ምርግጋጽን ትግባረ ናይቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተበጽሐ ስምምዓት ፕሪቶርያን ናይሮቢን ብዝምልከት ኣብ ምርድዳእ በጺሖም ኣለዉ። \"እቲ ኣኼባ፡ ብዛዕባ መስርሕ ዕጥቂ ምውራድ፡ ምፍናውን ዳግመ-ምጥያስን [ሓይልታት ትግራይ] ተመያይጥሉ\" ክብል ሕብረት ኣፍሪቃ ብሓሙስ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ይጠቅስ። ኬንያታ፡ ኣብቲ ኣብ ናይሮቢ ንጋዜጠኛታት ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ንሱ ዝርከቦ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንትግባረ ናይቲ ስምምዕ ንምርግጋጽ \"ኣብ ዝመጽእ ሒደት መዓልታት\" ናብ መቐለ ክበጽሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ። እቶም ካብ ረቡዕ 21 ታሕሳስ ጀሚሮም ኣብ ናይሮቢ ክዛተዩ ዝቐነዩ ላዕለዎት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ክልቲኦም ወገናት ስለምንታይ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዘይተረኽቡ ግን ዝተባህለ የለን። እቲ ልዝብ፡ ብመንጎኝነት ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦቦሳንጆ፡ ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ፑምዚለ ምላምቦ-ንጹካን ኡሁሩ ኬንያታን ከምዝተሳለጠ መግለጺ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣነጺሩ። ድሕሪ'ቲ ስምምዓት ብ24 ሕዳር ኦባሳንጆን ምላምቦ-ንጹካን ናብ ትግራይ ብምብጻሕ ምስ መራሕቲ ህወሓት ተዘራሪቦም ምንባሮም ይዝከር። ኣብቲ ሎሚ ሓሙስ ዝተዛዘመ ዘተ ወከልቲ ዞባዊ ውድብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኢጋድ፡ ከምኡ'ው ኣመሪካ ተሳቲፎም ነይሮም። ፕረዚደንት ኬንያታ፡ ብዛዕባ ምውጻእ ሓይልታት ኤርትራ ብዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ \"ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ኩሎም ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ክልል ትግራይ ክወጹ'ዮም፡ ኣስማት ምጥቃስ ኣየድልየናን'ዩ\" ክብል ገሊጹ። \"ክልቲኦም ወገናት፡ ትግባረ ናይቲ ስምምዕ ንምክትታልን ንምቁጽጻርን ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ ምሉእ ምትሕብባር ከምዝገብሩ ኣፍሊጦም ኣለዉ\" ዝበለ ኬንያታ፡ እዚ ዝመጽእ ዘሎ ሓድሽ ዓመት፡ ንኢትዮጵያውያን ናይ ሰላም ዓመት ክኾነሎም ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ። ብዛዕባ ምብጻሕ ሰብኣዊ ረዲኤት ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ድማ፡ ብመትከል ደረጃ ክልቲኦም ወገናት ዘለዎም ተወፋይነት ከምዝገለጹ ብምጥቃስ፡ ምሉእ ተበጻሕነት ክህሉ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐን፡ ብድሆታት እንተሊዮም ንምርኣይን ንምርግጋጽን ናብ መቐለ ይኸዱ ከምዘለዉን ሓቢሩ። ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ፡ ብዛዕባ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይን ኣተገባብራኡን ዝምልከት መደብ ንኸውጽእ ዝቘመ ሓባራዊ ኮሚቴ ውጥንን ተክኒክን ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ኣብ ከተማ ሽረ ኣኼባ ኣካይዶም ምንባሮም ይዝከር። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ድሕሪ ፕሪቶርያ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ፡ ክልቲኦም ወገናት ጐንጺ ደው ከብሉ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክምለሱን ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ክፈትሑን፡ ማዕረማዕረኡ፡ 'ሓይልታት ወጻኢን ካብ ሰራዊት ምክልኻል ፈደራል ወጻኢ ዝዀኑ ዕጡቓት ሓይሊታት ክልላት' ክወጽኡን ምስምማዖም ይዝከር። ድሕሪ'ቲ ስምምዕ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ ጀሚሩ'ኳ እንተሎ፡ ሕጂ'ውን ብድሆታት ከምዘለዉ ሰብመዚ ትግራይ ይገልጹ። ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ኣብ መቐለ ገለ ከባቢታትን ትግራይ ጀሚሩ ከምዘሎን፡ ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሰራዊት መንግስቲ ዝርከብ ድማ፡ ኣገልግሎት ባንክን ቴለፎንን ከምዝጀመረ ይግለጽ። እንተኾነ ግን፡ ገለ ተገልገልቲ ቅድሚ'ቲ ግጭት ዘቐመጥዎ ገንዘቦም ክወስዱ ከምዘይክኣሉ ይዛረቡ። ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ኣብ ሰለስተ ከተማታት ክልል ትግራይ ንነዊሕ እዋን ተቛሪፁ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ። እቲ ባንክ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር መንግስቲ ፈደራል ኣብ ከተማታት ሽረ፡ ኣላማጣን ኮረምን ስርሑ ጀሚሩ። ነዚ መሰረት ብምግባር ቢቢሲ ካብ ከተማ ሽረ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ እቲ ኣገልግሎት ከምዝጀመረ ሰሚዖም ናብ ባንክ ከም ዝኸዱን እንተዀነ “ገንዘብ የለን” ዝብል ምላሽ ከም ዝጸንሖምን፡ ካብ ሕሳቦም ገንዘብ ከውጽኡ ከምዘይክእሉን ከም ዝተነግሮም ይገልጹ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3gx9223dj3o"} {"headline":"ዘመትቲ ከብቲ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ኣባላት ፖሊስ ዝርከብዎም ብውሕዱ 11 ሰባት ተቀቲሎም","content":"ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝዋሰን ሰሜናዊ ክፋል ኬንያ ብዘጋጠመ ድብያ ዘመትቲ ከብቲ ብውሕዱ 11 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ፖሊስ ኣፍሊጡ። ሸሞንተ መኮንናት፣ ክልተ ሲቪላትን ሓደ ሓላፊ እቲ ከባቢን ካብቶም ግዳያት ናይቲ ብቐዳም ኣብ ግዝኣት ቱርካና ዝተፈጸመ ዓመጽ ከም ዝዀኑ ይግለጽ። ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ፖሊስ፡ ኣቐዲሞም ኣብ ሓንቲ ዓዲ ብምእታው ጥሪት ዝሰረቑ ሸፋቱ ይሃድኑ ምንባሮም ተሓቢሩ’ሎ። ኣብቲ ከባቢ ብሰንኪ ጥሪትን ማይን ዝፍጠር ግጭት ልሙድ ኰይኑ፡ ዝኸፍአ ኩነታት ኣየር (ክሊማ) እውን የጋጥሞ ኣሎ። ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጢ 40 ዓመታት ብዝተርኣየ ከቢድ ደርቂ ኣዝዮም ካብ ዝተሃስዩ ከባቢታት ሓደ እዩ። እቲ ንራብዓይ ወቕቲ ዝፈሸለ ዝናብ፡ ጥሪት ብብዝሒ ክሞታን ዘራእቲ ከይቦቁልን ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ። ሰባት ብስእነት መግብን ማይን ተስፋ ቆሪጾም ኣለዉ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክሳብ 20 ሚልዮን ዝበጽሑ ሰባት ኣብ ሓደጋ ከቢድ ጥምየት ከም ዝርከቡ የመልክት። ፖሊስ ኬንያ፡ \"ገበነኛን ፈራሕን ድብያ\" ኣብ ልዕሊ \"ንጹሃት ኣባላት ማሕበረሰብን ፖሊስን\" ክብል ነቲ መጥቃዕቲ ገሊጽዎ። ናብታ ኣብ ምብራቕ ቱርካና እትርከብ ቁሸት ተወሰኽቲ ኣባላት ፖሊስ ዝተልኣኹ ኰይኖም ጸጥታ ካብ ምውሓስ ብተወሳኺ ተሓተትቲ እቲ ፍጻመ ዝበልዎም ኣባላት ዓሌት ፖኮት ኣብ ቀይዲ ንምውዓል ክሰርሑ እዮም። እዚ ድሕሪ’ቲ ጥርጡራት ምልሻ ዓሌት ፖኮት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብታ ግዝኣት ወራር ብምክያድ ብውሕዱ 7 ሰባት ብሓዊ ኣቃፂሎም ዝቐተሉሉ ፍጻመ ዘጋጠመ ኰይኑ’ሎ። ኣመሓዳሪ ቱርካና ጀረሚያ ሎሞሩካይ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ \"ብሞት ኣባላት ስድራቤቶም ምሕዛን ሰልቺዩዎም\" ኢሉ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1nmryreneo"} {"headline":"ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ፡ ብምንታይ እዩ ክዝከር?","content":"ኡሁሩ ኬንያታ፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዳግም ፕረዚደንት ኬንያ ኰይኑ ክምረጽ እንከሎ፡ “ጥሙርን ውሁድን ሕብረተሰብ ክፈጥር እየ። ከምኡ’ውን፡ ኣንጻር ብልሽውና ዝግበር ቓልሲ ክዕወተሉ’የ” ኢሉ ነይሩ። ሃገራዊ ሓድነት ንምምጻእ ኣብ መጋቢት 2018 ካብ መንጐ ዝወሰዶም ስጕምታት እቲ ሓደ፡ ምስ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊን ቀዳማይ ሚኒስተር ነበርን ራይላ ኦዲንጋ ዝገበሮ ስምምዕ እዩ። እዚ ምልክት ፖለቲካዊ ስምምዕ ክልቲኦም መራሕቲ ተገይሩ’ዩ ዝውሰድ። እዚ “ምጭብባጥ ኢድ” [handshake] ተባሂሉ ዝፍለጥ ስምምዕ፡ ድሕሪ መረጻ 2017 ዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ ንኸብቅዕ ሓጋዚ ተራ ነይርዎ። ኣብቲ ግዜ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ፡ ውጽኢት እቲ መረጻ ብምንጻግ ዳግም መረጻ ንኽካየድ ወሲኑ እዩ። ነዚ ዝተቓወመ ራይላ ኦዲንጋ ድማ፡ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዘዳለዎ ጽምብል ናይ ባዕሉ ስነስርዓት ቃለማሕላ ገይሩ። ድሒሩ ክልቲኦም ፖለቲከኛታት ኢድ ንኢድ ተጨባቢጦም ዕርቀ-ሰላም ከውርዱ ከለዉ፡ ምኽትል ኬንያታ ዝነበረ ዊልያም ሩቶ ግን፡ እዚ ውሕስነት መግቢ ንምምሕያሽ፡ ተበጻሕነት ሕክምናን መንበሪ ገዛን ንምርግጋጽ ከምኡ'ውን ዓውዲ ምፍራይ (ማኑፋክቸሪን) ንምዕባይ ዝተታሕዙ ኣጀንዳታት ኣዛቢዑ እዩ ብዝብል ኣይተቐበሎን። ኣብ ግዜ ድማ ኡሁሩ ኬንያታን ዊልያም ሩቶን ዝነበሮም ርክብ ክሕርፍፍ ምኽንያት ኰይኑ እዩ። ኣብ መወዳእታ፡ ኬንያታ ኣብቲ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ነሓሰ 2022 ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ነቲ መወዳድርቱ ዝነበረ ኦዲንጋ ብምድጋፍ፡ ንኽምረጽ ጐስጓስ ገይሩ። እቲ ኣብ መንጐኡን ምኽትሉ ዝነበረ ሩቶን ዝነበረ ምትፍናን ድማ ድሕሪ መረጻ’ውን ቀጺሉ። ኬንያታ፡ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን ክህሉ ከም ዝገብር እኳ እንተገለጸ፡ ክሳብ ድሮ ዊልያም ሩቶ ሓድሽ ፕረዚደንት ኬንያ ኰይኑ ቃለማሕላ ዝፈጸመሉ ዕለት፡ ዮሃና ከይበሎ እዩ ጸኒሑ። ዊልያም ሩቶ፡ ትማሊ 13 መስከረም 2022 ቃለ ማሕላ ፈጺሙ። ድሕሪ እቲ ብ2007 ዝተኻየደ መረጻ ብዝተላዕለ ዓሌታዊ ጐንጺ፡ ኣስታት 1200 ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ ኣሽሓት ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዝተመዛበሉ ይዝከር። ኬንያታ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓሎም ዓመታት ድማ፡ ሓድነት ንምምጻእን ጥሙር ማሕበረሰብ ንምፍጣርን ዝነበሮ ባህጊ ኣዐዊቱ’ዩ ክብሉ ተዓዘብቲ ይገልጹ። ይዅን’ምበር፡ እቲ ስምምዕ ኣብቲ ተቓውሞ ሸነኽ ክፍተት ገዲፉ እዩ። “ኣብ ውሽጢ መንግስቲ መን ኣሎ መን የለን ዝብል ደንገርገር ፈጢሩ’ዩ” ትብል ተንታኒት ፖለቲካን፡ ሓላፊት ናይቲ መናእሰይ ናብ ፖለቲካ ክሳተፉ ዝጕስጉስ 'ሲሳ ፕሌስ' ዝተበሃለ ዘይመንግስታዊ ትካል ነሪማ ዋኮ-ኦጂዋ። ንመንግስቲ ክቈጻጸር ዝኽእል ድልዱል ሰልፊ ተቓውሞ ዘይምህላው ድማ፡ ኬንያታ ብልሽውናን ብኽነት ሃብቲ መንግስትን ኣብ ምቍጽጻር ክፈሽል ምኽንያት ኰይኑ። ንራይላ ኦዲንጋ ኣብ ዝጕስጉሰሉ እዋን፡ ኬንያታ ኣብ ልዕሊ ኣብ ብልሽውና ዝጥሓሉ ውልቀሰባት ስጕምቲ ኣብ ምውሳድ ተለሳሊሱ ከም ዝነበረ ተኣሚኑ’ዩ። ብ2021፡ እታ ሃገር መዓልታዊ ብሰንኪ ብልሽውና ክልተ ቢልዮን ሽሊንግ [17 ሚልዮን ዶላር] ትስእን ምህላዋ ተዛሪቡ ነይሩ። “ንዓይ፡ እቲ ግሁድ ሕቶ ‘ከምኡ ምዃኑ እንተፈሊጥካ፡ ስለ ምንታይ ገለ ነገር ዘይገበርካ?’ ዝብል እዩ። ቤት ፍርዲ ዝሓዞም ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ኣለው፤ ግን ክኣ ብጌጋ መገዲ ዝኸዱ ዘለዉ’ዮም ዝመስሉ” ይብል ክኢላ ግብሪ ኮዲ ኣፍሪቃ ኒክሂል ሂራ። ምምሕዳር ኬንያታ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ትሕተ ቕርጺ ዓይነታዊ ስራሕ ሰሪሑ’ሎ። እዞም ፕሮጀክታት ካብ ህንጸት ዓበይቲ ዲጋታት፡ ስታድዮማት፡ ዝርግሐ ኤሌክትሪክ፡ መገዲ ባቡርን ጽርግያታትን ዝኣመሰሉ እዩ። ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኬንያታ ዝተሃንጸ መሳለጥያ መንገዲ ናይሮቢ'ውን [ኤክስፕረስ-ወይ] ምጥቃስ ይክኣል። እዞም ወፍርታት ግን፡ ብገዚፍ ልቓሕ እዮም ተሰሪሖም። ንኣብነት፡ ካብ ሞምባሳ ናብ ናይሮቢ ዝወስድ ብቻይና ዝተሰርሐ መንገዲ ባቡር፡ ንኸፈልቲ ግብሪ ኬንያ 3.2 ቢሊዮን ዶላር ዝሓቶም’ዩ። እዚ፡ ምስቲ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ታንዛንያን ኢትዮጵያን ዝተሰርሑ ተመሳሰልቲ ፕሮጀክታት ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ዝተጋነነ ዋጋ ወጻኢ ተገይሩሉ እዩ ክብሉ ተንተንቲ ኣለው። እዚ፡ መጠን ልቓሕ እታ ሃገር ኣዝዩ ዝለዓለ ክኸውን ገይሩዎ’ዩ፤ ነዚ ዕዳ ንምኽፋል ድማ ዓመታት ክወስድ እዩ። ኣብ ቀዳመይ ዘመን ስልጣን ኡሁሩ ኬንያታ [2013 ኣ.ኣ] 50 ቢልዮን ዝነበረ ዕዳ ኬንያ፡ ኣብ 2021 ናብ 72.1 ቢልዮን ዶላር ክብ ኢሉ’ሎ። ተንተንቲ፡ እታ ሃገር ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንእተመዝግቦ ዘላ ዓቢይ ቁጠባ ዝምግብ ሓደስቲ ትሕተ ቕርጺ የድልያ’ዩ እኳ እንተበሉ፡ ኣብ ጉዳይ ዘይግቡእ ምሕደራ ሃብቲ ግን ሕቶ የልዕሉ። “ልቓሕ ጸገም'ኳ እንተዘይብሉ፡ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ከመይ ኢና ንጥቀመሉ ዘለና ዝብል’ዩ” ይብል ሂራ። ካብ ፖለቲካ ወጻኢ፡ ብዙሓት ንኬንያታ ብዝነበሮ ምቑሉል ስብእና ክናፍቝዎ እዮም። ብፍላይ ምስ ሰባት ክራኸብ እንከሎ፡ ገዛእ ርእሱ ኰይኑ ቅልል ብዝበለ መገዲ እዩ ዝቐርብ። ኣብ ናይሮቢ፡ ሓለውቲ ብቐረባ ርሕቀት ኰይኖም እናዓጀብዎ ህድእ ኢሉ ብእግሩ ክጕዓዝ ምርኣይ ልሙድ'ዩ። ሓሓሊፉ ከኣ፡ ብተራ ሰባትን መራሕትን ተኸቢቡ ኣብ ሓደ ዕዳጋ፡ ኣብ ኬንያ ኣዝዩ ዝፍቶ መግቢ፡ ‘ንያማ ቾማ’ [ዝተጠብሰ ስጋ] ክበልዕ ይርአ። ኬንያታ ኣብ ውድድራት ጐልፍ እውን ይርአ'ዩ። እቲ ክሳብ ሕጂ ዝነብረሉ ዝነበረ ቤተ መንግስቲ [state house] ድማ፡ ንህጻናትን ፍሉጣት ሰባትን ክፉት ብምግባር፡ ብናጻ ክብጻሕ ከም ዝኽእል ገይሩ እዩ። ኣቐዲሙ፡ እቲ ከባቢ ኣብ ስልጣን ካብ ዘለው ሰባት ወጻኢ ክኣትውዎ ኣይፍቀድን ነይሩ። ኬንያታ፡ ብዙሓት ክዝክርዎ ዝገብሮ ካልእ ባህሪያት’ውን ኣለዎ። ንኣብነት፡ መደረ ኣብ ዘስምዓሉ ግዜ ካብቲ ዝተዳለወሉ ጽሑፍ ውጽእ ኢሉ፡ ብድሕሪ መጋረጃ ብዛዕባ ዝግበሩ ዝእንፍቱ ነገራት ይዛረብ እዩ። ዋኮ-ኦጂዋ፡ እዚ ተፈታዊ ክገብሮ ይኽእል’ዩ፤ ግን ድማ ገሊኡ ናብ ዘይእርኑብነት ከምርሕ ይኽእል እዩ ትብል። ኬንያታ፡ ኵሎም ተመሃሮ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ናይ ዲጂታል ክእለቶም ንከዕብዩ ላፕቶፕን ታብለታትን ክገዝኣልኩም’የ ኢሉ፡ ኣብ 2013 መብጽዓ ኣትዩ ነይሩ። እንተዀነ፡ እዚ ካብ መፈተኒ ምዕራፍ ሓሊፉ ብዙሕ ኣይሰጐመን። ገሊኦም ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝተልኣኹ ቀረባት ኣብ መዓልኦም ከይውዓሉ ክተርፉ እንከለው፡ ገሊኦም ድማ ብሰንኪ ሕጽረት መኸዘኒ ክፍልታት ተሰሪቘም። ተዓዘብቲ ዓውዲ ትምህርቲ፡ እቲ መደብ ንመምሃራን እኹል ስልጠና ብዘይምሃብን ብሰንኪ ሕጽረት ቀረብ ኤሌክትሪክን ከም ዘይተዓወተን ይገልጹ። “መንግስቲ፡ ኣብ ኵለን ኣብያተ ትምህርቲ ቤተ-ኮምፒዩተር ብምህናጽ እተን ኮምፒዩተራት ከእትወን ኣማኺርናዮ ነይርና። እዚ ብቐሊሉ ክዕወት ምኽአለ፤ ግን ከኣ እቶም ነዚ ውሳነ ዝውስኑ ሰባት ንዓና ኣይሰምዑናን” ይብል ካባጂ። ይዅን’ምበር፡ ምምሕዳር ኬንያታ ሃገራዊ ስርዓተ ትምህርቲ (ካሪኩለም) ክመሓየሽ ገይሩ’ዩ። ኣብቲ ዝተገብረ ዕረያ ዝቐርቡ ገለ ተቓውሞታት'ኳ እንተሃለው፡ እቲ ሓድሽ ስርዓት ትምህርቲ፡ ኣክንዲ ተመሃሮ ፈተና ጥራይ ክሓልፉ ትዅረት ምግባር ዓቕሚ ዘለዎም ተመሃሮ ስራሕ ክረኽቡ ዘኽእሎም ክእለታት ክረኽቡ ገይሩ እዩ። ብኻልእ ወገን፡ ኣብታ ሃገር ተበጻሕነት ኣገልግሎት ጥዕና ንምርግጋጽ ዝነበረ ሰፊሕ መደብ ምሉእ ብምሉእ'ኳ እንተዘይተተግበረ፡ ብዝሒ ዓራውቲ ሆስፒታላት ወሲኹን ሓደሽቲ ሆስፒታላት ተሃኒጾምን እዮም። ካብ ዘቤታዊ ጉዳይ ሓሊፉ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት፡ ኬንያ ብደረጃ ዓለም ዘለዋ ጽልዋ ዓብዩ’ዩ። ኣብ ለካቲት 2022፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ድሕሪ ምኹናና፡ ተቐያሪ ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ተረኪባ'ያ። ኣምባሳደር ኬንያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ኪማኒ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃ ዝነበረ ተመኵሮ ባዕዳዊ መግዛእትን ቅልውላው ሩስያ-ዩክረይንን ብምንጽጻር ዘቕረቦ መግለጺ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብብዝሒ ተወጊዕሉ ነይሩ። ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ጉዳይ ቅልውላው ሩስያ-ዩክረይን ጸግዒ ኣክንዲ ምውሳድ ድምጸ-ተዓቅቦ እየን መሪጸን። ብተወሳኺ ኬንያታ ኣቦ መንበር ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኰይኑ ኣገልጊሉ’ዩ። ኣብ ኢትዮጵያን ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎን ዘለው ጐንጽታት ንኽፍትሑ ጻዕሪ ክገብር ጸኒሑ'ሎ። ብኻልእ ወገን፡ ኣብ እዋን መሪሕነት ኬንያታ፡ ኬንያ፡ መጥቃዕቲ እስላማዊ ጕጅለታት፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ምኽባር ዋጋታትን ኲናት ሩስያ-ዩክረይን ስዒቡ ዝተፈጥሩ ፈተናት በዲሆምዋ እዮም። ኬንያታ፡ ትማሊ ንምኽትሉ ዝነበረን ኣብ መረጻ ዝተዓወተን ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ስልጣኑ ኣረኪቡ ኣሎ። እቲ ሓድሽ ምምሕዳር ድማ፡ ዓበይቲ መብጽዓታት ኣትዩ እዩ። እዚኦም፡ ልዑል ሽቕለት ኣልቦነትን ምኽባር ዋጋታትን ምፍታሕ ዝብሉ ይርከቡዎም። ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ ዝቕባበ ዋጋ 8.5 ሚእታዊት ኰይኑ ተመዝጊቡ እዩ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cq5de7qkzvvo"} {"headline":"ቤት ፍርዲ ኬንያ፡ ንዝጸንሐ ክርክር ውጽኢት መረጻ ሎሚ ብይን ክህበሉ ትጽቢት ይግበር","content":"ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ፡ ኣብ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ዝተልዓለ ክሲን ዝጸንሐ ክርክርን ሎሚ ናይ መወዳእታ ውሳነ ክህብሉ ትጽቢት ይግበር ኣሎ። ኮሚሽን መረጻ ኬንያ፡ ኣብቲ ውድድር ምኽትል ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ 7.1 ሚልዮን ድምጺ ብምርካብ ከም ዝተዓወተ ብምግላጽ ተመራጺ ፕረዚደንት ከም ዝዀነ ወግዓዊ ገይሩ'ዩ። ኣብቲ መረጻ 6.9 ሚልዮን ድምጺ ብምርካብ ከም ዝተስዓረ ዝተነግሮ ገዲም ፖለቲከኛ ራይላ ኦዲንጋ ግን ነቲ ውጽኢት ነጺግዎ። እቲ ቤት ፍርዲ ውሳነ ንምሃብ ኣብ ዝሸባሸበሉ ዘሎ እዋን ብፍላይ ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ጽኑዕ ሓለዋ ይግበር ኣሎ። ናብቲ ቤት ፍርዲ ዝወስዱ መንገዲታት ዝተዓጽዉ ኰይኖም፡ ኣብያተ ትምህርቲ ተመሃሮአን ናብ ገዝኦም እዋኑ ከፋንዋ ምዃነን ተገሊጹ። ናዕቢ ክለዓለሎም ይኽእል እዩ ናብ ዝተባህሉ ከባቢታት እታ ሃገር ተወሰኽቲ ሓይልታት ጸጥታ ተዋፊሮም ኣለዉ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ነቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝተኻየደ መረጻ ብምስራዝ ዝወሰዶ ውሳነ ታሪኻዊ ነይሩ። ራይላ ኦዲንጋ ፕረዚደንት ክኸውን ወይ እቲ መረጻ ደጊሙ ክካየድ እዩ ዝሓትት ዘሎ። ንሱ መነሓንሕቱ ዊልያም ሩቶ ንስርዓት መረጻ እታ ሃገር ብምጭዋይ ካብ ናቱ ድምጺ ከም ዘጕደለ እዩ ዝኸስስ። እቲ ምኽትል ፕረዚደንትን ኮሚሽን መረጻ ኬንያን ግን ነቲ ክሲ ይነጽጉ። ኣርባዕተ ካብ ሸውዓተ ኣባላት ኮሚሽን መረጻ እታ ሃገር ነቲ ውጽኢት ከም ዘይቅበልዎ ምግላጾም ዝዝከር ኰይኑ፡ ኮሚሽነር ዋፉላ ቻቡካቲ ግልጺ ከም ዘይነበረ ይኸሱ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c2vll13xe4no"} {"headline":"ብደርቂ ዝተጠቕዑ ማሕበረሰብ ቦረና ዶብ ሰጊሮም ኣብ ኬንያ የዕቑቡ'ለዉ","content":"ብሰንኪን ሰለስተ ተኸታተልቲ ዓመታት ዝቐፀለ ደርቂ ጥሪቶምን ቀለቦምን ዝሰኣኑ ብኣማኢት ዝቖፀሩ ማሕበረሰብ ቦረና ክልል ኦሮሚያ ካብ ኢትዮጵ ዶብ ሰጊሮም ኣብ ኬንያ የዕቑቡ ከምዘለዉ ተገሊፁ። እቶም ካብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቦረና ወረዳ ሚዮ ናብ ኬንያ ዝተመዛበሉ ኢትዮጵያውያን፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ግዝኣት ማርሳቤት፡ ፍሉይ ቦታ ኡርና ኣዕቊቦም ከምዘለዉ ተፈሊጡ’ሎ። ወይዘሮ ዉርጌ ኣለኬን ኣቶ ጃርሶ ኣላቃን ካብ ሞንጎ እቶም ናብ ኬንያ ዝተፈናቐሉ ኮይኖም ኣብ ከቢድ ሽግር ከምዝርከቡ ንቢቢሲ ተዛሪቦም። ወይዘሮ ዉርጌ ኣለኬ፡ “ካብ ኦሮሚያዞ ባ ቦረና ኢና መፂእና። ጥሪትና ምስተወደኣ ኢና ናብዚ መፂእና። ዋላ ሓደ ነገር የብልናን። ዝብላዕ ነገር ስለዝሰኣንና ደቅና ጠምዮም። ዝኾነ ነገር ኣሊሽና ከይንዕድግ’ኳ ገንዘብ የብልናን። ብሰንኪ ፃምእ ትንፋስና ክትወፅእ ኢላ። በዚ ምኽንያት ኢና ናብዚ ክንመፅእ ዝወሰንና“ ኢለን። ናብኡ መስ መጽኡ ዝጠዓም ነገር ከምዝረኸቡ ይዛረቡ። ኣቶ ጃርሶ ኣላቃ ብወገኖም፡ “ጥምየትን ፃምእን ስለዘጋጠመ እየ ናብዚ መፂኤ። ክሳብ ሕዚ ናብዚ ዝመፃእና ሰባት ኣስታት 350 ንኸውን ኢና። ካልኦት እውን ይመፅኡ ኣለዉ። ብዙሕ ሰብ ሓደጋ ኣንፀላልይዎ ኣሎ። ኩሉ ተሰናቢዱ ንፈጣሪኡን ንዝፈልጦ ሰብን ኣብ ምልማን ይርከብ። ናብዚ ካብ እንመፅእ ሰሙን ኮይኑና’ሎ” ኢሎም። ካልእ ስሙ ክግለፅ ዘይደለየ ካብ ሞንጎ ተመዛበልቲ ዝኾነ ብወገኑ፡ ጥሪቶም ጥራይ ዘይኮናስ እንስሳ ዘገዳም ከይተረፋ ብሰንኪ እቲ ደርቂ ይውድኣ ከምዘለዋ ንቢቢሲ ሓቢሩ። በዚ ምኽንያት ንሱን ካልኦትን ዶብ ሰጊሮም ናብ ኬንያ ከምዝተፈናቐሉ ብምግላፅድ ድማ፡ ካልኦት ኣብ ዞባ ቦረና ዝተረፉ ሰባት ኣብ ኣዝዩ ሕሱም ኩነታት ከምዝርከቡ ተዛሪቡ። ኣብ ኬንያ ግዝኣት ማርሳቤት፡ ኣመሓዳሪ ላታካ ዝኾነ ኣቶ ሮባ ዱባ፡ ነቶም ብሰንኪ ደርቂ ተፈናቒሎም ዝመፅኡ ኢትዮጵያውያን ብፅቡቕ ከምዝተቐበልዎም ንቢቢሲ ገሊፁ። ይኹን’ምበር ህፁፅ ሓገዝ እንተዘይቀሪቡ እቲ ዝመፅእ ዘሎ ህዝቢ ናብ ከቢድ ፀገም ከምዝቃላዕ ኣተሓሳሲቡ። “ደርቂ ብጣዕሚ ስለዝሓየሎም’ዮም ካብ ኢትዮጵያ ዶብ ሰጊሮም መፂኦም ዘለዉ። ሕብረተሰብ ቦረና ብጣዕሚ ተሃስዩ’ሎ። ንሕና ድማ ካብታ ዘላትና ነካፍሎም ኣለና። ካብታ ዘላትና ንኢሽተይ ማይ እውን ክንመቕሎም ኢና። ብርግፅ እታ ዘላትና ማይ ኣብ ቀረባ ክትፅንቀቕ እያ ግን ድማ ኣይንኸልኦምን\" ክብል ተዛሪቡ። ምኽንያቱ ህፃናት፣ ኣረጋውያንን ዓቕሞም ዝደኸመን ሰባት፡ ነቲ ዘሎ ፀሓይ ተፃዊሮም ነዊሕ መገዲ መፂኦም ከምዘለዉ ይገልጽ። “ንኣብነት ሓደ ዝረኣኽዎም ዓብዪ ሰብኣይ ርእሶም እውን ከቕንዕዋ ዓቕሚ ስኢኖም ነይሮም። ገሊኦም ኣብ ኣካላቶም ዕንፍሩር ዝመስል ነገር ወፂእዎም ኣሎ። ሰብሞያ ጥዕና መፂኦም ክርእይዎም ጌርና ኢና። ሓገዝ ሕክምና ክግበረሎም እውን ሓቲትናለና” ክብል ወሲኹ። ዓለምለኸ ትካላት፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝርከብ ከባቢ ቦረና ካብ ሞንጎ እቶም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኸቢድ ድርቂ ዝተሓሰዩ ከባብታት ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ብዙሓት ናብ ጥምየት ከምዝቃልዑ ክገልፁ ምፅንሖም ይፍለጥ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cmjd6461emjo"} {"headline":"ሓድሽ ፕረዚደንት ኬንያ፡ ወንጌላዊ እምነቱ ንዓወቱ ብኸመይ ጸልይዎ?","content":"ሓድሽ ፕረዚደትን ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ሰሉስ 13 መስከረም 2022 ነታ ሃገር ንኽመርሕ ቃለ ማሕላ ብምፍጻም ስርሑ ጀሚሩ’ሎ። ሩቶ፡ ኣብ ታሪኽ ‘ታ ሃገር ናይ መጀመርታ ፕረዚደንት ‘ወንጌላዊ ክርስትያን’ ኰይኑ፡ ኣብ መስርሕ መረጻ ንዘመዝገቦ ዓወት፡ ሃይማኖቱ ወሳኒ ተራ ከም ዝነበሮ ይንገር ኣሎ። በዚ ኸኣ፡ ሃይማኖት ዝማእከሉ ምሕደራ ክኽተል ከም ዝኽእል ብኣጋኡ ይግመት። እዚ ወዲ 55 ዓመት ፕረዚደንት፡ ብዛዕባ እምነቱ ብግልጺ ንምዝራብ ከም ዘይሓፍር እዩ ዝዝረበሉ። ኣብ ከም መሰል ኣፍቀርቲ ተመሳሳሊ ጾታ፡ ምንጻል ጥንሲን ዝኣመሰሉ ጉዳያት፡ ኣብ እዋን ስልጣኑ ክለዓሉ ተኽእሎ ዘለዎም ጉዳያት ኰይኖም፡ ብዛዕባኦም ዘለዎ መርገጺ ኸኣ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብጋህዲ ኣነጺሩ እዩ። ሩቶ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብቐጻሊ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ክጠቅስ፡ ክጽሊን ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት’ውን ክነብዕ ዝርአይን ብዙሕ ዘይስከፍ ሰብ እዩ። ነዚ ዝረኣዩ ተቓወምቱ ኣብ እዋን ጐስጓስ ንመረጻ፡ \"ምክትል የሱስ\" ኢሎም ክቕይዑሉ እንከለው፡ ሰዓብቱ ድማ ቀልጢፎም መለለይኡ ዝገብርዋ ሳጓኡ ገይሮምዋ። ሩቶ፡ ኣብቲ መረጻ ዝረኸቦ ዓወት ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ድሕሪ ምጽዳቝ፡ ፈለማ ዝገበሮ ነገር እንተነይሩ፡ ኣብ ጐድኒ በዓልቲ ቤቱ ራሄልን ምስቶም ኣብ ገዛኡ ምስኡ ዝነበሩ ካልኦት ሰብመዝን ተንበርኪኽካ ምጽላይ እዩ። ሩቶን በዓልቲ ቤቱን ኣብቲ ኣብ ናይሮቢ፡ ‘ካረን’ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ዝርከብ መንበሪ ገዛኦም ቤተ ጸሎት ከይተረፈ ሃኒጾም እዮም። ሽዑ ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ሓደ ሰዓቢ እስልምና ዝዀነ መራሒ’ውን ድሕሪ እቲ ዝተዋህበ ፍርዲ ብእምነቱ ኣብቲ ቀጽሪ እንዳ ሩቶ ክጽሊ ተራእዩ። ሩቶ ጽኑዕ ክርስትያናዊ እምነት ዘለዎ’ኳ እንተዀነ፡ እዚ ተግባሩ ግን መራሒ ኣመንቲ ኵሉ ሃይማኖታት ክኸውን መደብ ከምዘለዎ ዘርኢ እዩ። ኬንያ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባት ብሰላም ብሓባር ዝነብሩላ ሃገር ኰይና፡ እዚ ሓድሽ ፕረዚደንታ ኸኣ ደገፍ ብዙሓት ኣስላም ከም ዘለዎ ይፍለጥ። ጳጳስ ወንጌላዊት ቤተክስርትያን ኬንያ፡ ደቪድ ኦጊንደ፡ ምምሕዳር ፕረዚደንት ሩቶ \"ንክብርታት [ሕብረተሰብ] ደው ክብልን፣ እዚ ህዝቢ ሃይማኖታዊ ምዃኑ ከኽብርን\" ተስፋኡ ገሊጹ። ኬንያ ጽኑዓት ኣመንቲ-ሃይማኖተኛታት ዝነብሩላ ሃገር ኰይና፡ ንውሳነ ቤት ፍርዲ ኣብ ጉዳይ ፕረዚደንታዊ መረጻ ወግዓዊ ዝገበረት ላዕለወይቲ ዳይና ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ፡ ማርታ ኩመ፡ ነቲ ዓወት ሩቶ ዘረጋገጸ መስርሕ ቤት ፍርዲ “እዚ ስራሕ ኣምላኽ ጥራይ እዩ. . .” ክትብል እያ ገሊጻቶ። ሩቶ ከም ምኽትል ፕረዚደንት’ቲ ኣብ ቀረባ ዝተሰናበተ፡ ሰዓቢ እምነት ካቶሊክ ዝዀነ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ኰይኑ ኣብ ዝሰርሓሉ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ቀዳማይ ሓሙሽተ ዓመት ዘመነ ስልጣኖም ዝነበሮ ሃይማኖታዊ ጽልዋ ርኡይ ነይሩ፤ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2007 ዝተኻየደ ኣካታዒ መረጻ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ኣስማቶም ንምጽራይ ኣብ ዝገበርዎ ጻዕሪ ተራ ሩቶ ቀሊል ዘይምንባሩ እዩ ዝግምገም። ኣብቲ እዋን፡ ሩቶን ሰበይቱን ብቐጻሊ ኣብ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ተረኺቦም ጸሎት ይገብሩ ነይሮም፤  ኣብ ፍርዲ ከይቀርቡ ኣብ ዝጽዕሩሉ ዝነበሩ እዋን ህዝባዊ ድንጋጸ'ውን ረኺቦም እዮም። ዓቃቢ ሕጊ [ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ] ኣብ ልዕሊ ኬንያታ ንዝቐረበ ክሲ ኣብ 2014፣ ልዕሊ ሚስተር ሩቶ ዝቐረበ ክሲ ድማ ኣብ 2016 ኣቋሪጽዎ። ካብ ተኸተልቲ እምነት ፕሮቴስታንት ዝኾኑ ስድራ ዝተወልደ ፕረዚደንት ሩቶ፡ ኣብ ንእስነቱ ፓስተር ምንባሩ ዘርኢ ኣሳእል ብማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ተዘርጊሑ ኔሩ። በዓልቲ ቤቱ ብዙሕ ግዜ ጉባኤታት ጸሎት ኣካይዳ እያ፣ ሚስተር ሩቶ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንፖለቲካዊ ዓወቱ መንፈሳዊ ምትእትታዋት ከም ዘለዎ ብምግላጽ ከመስግን ተሰሚዑ እዩ። ሃይማኖታዊ መርኣያ ‘ቲ ዘካይዶ ዝነበረ ጐስጓስ፡ በዓልቲ ቤት እቲ ምኽትሉ ክኸውን ዝመረጾ ሪጋቲ ጋቻጉዋ ዝዀነት ዶርካስ፡ ብዕቱብ ክድገፍ ምኽኣሉ እዩ። ንሳ ሰራሕተኛ ባንኪ ዝነበረት ኰይና፡ ካብኡ ድሕሪ ምስንባታ ፓስተር ዝዀነት እያ። ኬንያውያን፡ ኣስታት 85 ሚእታዊት ክርስትያን [33% ፕሮቴስታንት፡ 21% ካቶሊክ፡ 20% ወንጌላውያን፡ 7% ድማ ሰዓብቲ ኣብያተ ክርስትያናት ኣፍሪቃ ] - ኣስታት 11% ከኣ ኣስላም እዮም። ተንታኒ ፖለቲካ ማቻርያ ሙነኔ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሩቶ ንዅሎም ክርስትያን ብማዕረ ዘቕረቦ ጻውዒት፡ ኣብ መረጻ ንኽዕወት ካብ ዘኽኣሎ ቀንዲ ረቛሒ ምዃኑ ይገልጽ። \"ተቐናቓኒኡ ራይላ ኦዲንጋ፡ ብዛዕባ ክርስትና ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ነቲ እምነት ክትቅበል ጸቕጢ ይገብሩ ኣለው ምባሉ፡  በዓልቲ ቤቱ፡ ኤዳ’ውን ምቍጽጻር ኣብያተ ክርስቲያን ክግበር ኣመልኪታ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ተደማሚሩ ንረብሓ ሩቶ እዩ ኰይኑ፡” ይብል ሙነነ። ተንታኒ ፖለቲካ ሄርማን ማንዮራ ብወገኑ፡ ሩቶ ኣብቲ ዝምስርቶ መንግስቲ መራሕቲ ሃይማኖት እንተሸይሙ ከምዘይገርሞ ብምግላጽ፣ “ምኽንያቱ ኣብ ጐስጓሱ ዓቢይ ተራ ተጻዊቶምሉ እዮም፡” ይብል። ማንዮራ ወሲኹ፡ \"ልክዕ ከምቲ ኣብ እዋን ፕረዚደንት ሞይ፡ ኣገልግሎት ኣብያተ-ክርስትያን ኣብ ዜናታት ሰንበት ጐሊሑ ንኽቐርብ ሸፈነ ክወሃቦ ተኽእሎ ‘ሎ\" ኢሉ። ፕረዚደንት ሩቶ ኣብ መሰላት ኣፍቀርቲ ተመሳሳሊ ጾታ ተሪር መርገጺ ክሕዝ ትጽቢት ይግበር። ንሱ፡ ኣብ 2015 ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ዝነበረ ጆን ኬሪ ቀቅድሚ ‘ቲ ንኬንያ ዝገበሮ ምብጻሕ፡ ኣብ ናይሮቢ ንዝተኣከቡ ኣመንቲ፡ \"ኬንያ ንኣምላኽ እተምልኽ ሪፓብሊክ እያ። ኣብዚ፡ ንሰዶማውነት ፍጹም ቦታ የለን\" ኢሉ ምንባሩ ይዝከር። ድሕሪ ዓወቱ ምስ ሲኤንኤን - መደበር ተሌቪዥን ኣሜሪካ - ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ “ካብ ጕላ ሓደ እምባ ክፈጥር ኣይደልን እየ፡” ድሕሪ ምባል፡ “[መሰል ኣፍቀርቲ ተመሳሳሊ ጾታ] ክሳብ ክንድኡ ዓቢይ ጉዳይ እንተዀይኑ ግን ህዝቢ እዩ ዝውስን፡” ኢሉ። ማንዮራ ከም ዝብሎ፡ መሰላት ኣፍቀርቲ ተመሳሳሊ ጾታ ኣፍልጦ ንምሃብ ሕጋዊ ፈተነ እንተተገይሩ፡ ንመንግስቲ ዓቢ ከቢድ ብድሆ ክፈጥረሉ እዩ። ኣብ 2019 ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ኣንጻር እቶም ንሕደ ጾታውነት ዝኽልክል ዝተደንገገ ሕጊ ንክቕልብሱ ዝተንቀሳቐሱ ተሓለቅቲ ውሳነ ሂቡ ነይሩ። ይዅን እምበር እዞም ተሓለቕቲ ጐስጓሶም ክቕጽሉ ምዃኖም ፈኪሮም እዮም። \"እቲ ንግብረ ሰዶማውነት ከም ገበን ዝቐጽዕ ሕጊ ኢ-ቅዋማዊ እዩ። እንሆ ድማ ሕጂ ኣዝዩ ክርስትያን ዝዀነ ሰብኣይ መጺኡ’ሎ። ሰባት 'ምክትል የሱስ' ኢሎም እዮም ዝጽውዕዎ። ስለዚ፡ ኣብዚ ጉዳይ ዝወሃብ ውሳነ ቤት ፍርዲ ኣንጻር እምነቱን ኣተሓሳስባኡን እንተዀይኑ፡ ሩቶ ዝህቦ ግብረመልሲ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።\" ክብል  ማንዮራ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ፕረዚደንት ሩቶ ኣብ ጉዳይ ምንጻል ጥንሲ ብዘለዎ ተሪር መርገጺ’ውን ፍሉጥ እዩ። ኣብቲ ዘሎ ቅዋማዊ ድንጋገ ግን፡ ኣብ ጥዕና እታ ኣደ ሓደጋ እንተሃልዩ፡ ጥንሲ ክንጸል ዝፈቅድ እዩ። ስለዚ፡ ሕግታት ምንጻል ጥንሲ ንምዝላቕ ዘሎ ዕድል ጸቢብ እዩ። ይዅን እምበር ቅዋም ‘ታ ሃገር ክሳዕ ዝፈቐዶ፡ ውልቃዊ እምነቱ ብዘየገድስ፡ ከኽርሮ ዘኽእል ዕድላት ኣሎዎ። ሩቶ ኣብ ጉዳያት ኣፍቀርቲ ተመሳሳሊ ጾታን ምንጻል ጥንስን ንዘለዎ ተሪር መርገጺ ካብ መራሕትን ኣመንትን ምስልምና ሓያል ደገፍ እዩ ዘለዎ። እቲ ኣብ ውሽጢ መሳርዑ ዓሰርተታት መራሕቲ ኣስላም ዝሓቘፈ፡ ሰልፊ ስሙር ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ [ዩዲኤም] - ንልፍንታዊ ሰልፊ ኦዲንጋ ገሊፉ፡ መራሒኡ ዊልያም ሩቶ ክዕወትን ኣብ ባይቶ ዓብላሊ ድምጺ ክህልዎን ክኢሉ እዩ። ይዅን እምበር ማንዮራ፡ ሩቶ ንተነቃፍነት መራሕቲ ኣስላም ክግንዘብ ከምዘለዎ የጠንቅቕ፤ \"ንኣስላም፡ ንመራሕቶም ናብኡ ብምቕራብ ከህድኦም'ዩ፤ እንተዀነ እቲ ክርስቲያናዊ ቃናኡ ከልዝቦ እንተዘይክኢሉ፡ ንገለ መራሕቲ ከርሕቕ ወይ ከቐይም ይኽእል’ዩ፡\" ይብል። ጳጳስ ኦጊንደ፡ “ፕረዚደንት ሩቶ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ መንግስታዊ ጽፍሕታት እንተተመዚዞም ኵሎም እምነታት ክውከሉ ኣለዎም፡” ይብል። \"ክንድግፎ ኢና፡ ኣብ እንኽእለሉ ቦታ’ውን መምርሒ ክንህብ ኢና፣ ብርግጽ ድማ ክንጽልየሉ ኢና። ኣምላኻዊ መሪሕነት ከርኢ ክንጽልየሉ ኢና\" ክብል ወሲኹ ይገልጽ። ሩቶ ኣብ መረጻ ዝረኸቦ ዓወት፡ ብዓቢኡ፡ ነቲ ብኽልተ ፖለቲካዊ ስርወ መንግስቲ - እንዳ ኦዲንጋን እንዳ ኬንያታን - ስልጣን ብሒትካ ንምቕጻል ዝተገብረ ፈተነ ዝሰዓረ፡ ነብሱ ከም \"ተቓላሲ\" ዝገልጸሉ ዕዉት ጕዕዞ ቓልሲ ተገይሩ ይርአ። ንሱ፡ \"ካብ ታሕቲ ንላዕሊ\" ዝብል ኣገባብ ቁጠባ ክኽተል ምዃኑን፡ ነቲ ኣብ መንእሰያት ዘሎ ልዑል መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ንምምካት፡ ከምኡ'ውን ህይወት ድኻታት ንምምሕያሽ ቃል ኣትዩ’ሎ። ማንዮራ፡ ሓድሽ ፕረዚደንት ኬንያ እዚ ሕጂ ዝኣትዎ ዘሎ መብጽዓታት ክትግብር ከምዘለዎም የተሓሳስብ። \"ክርስትና፡ ብዙሓት መራሕቲ ዓለም ስልጣን ንምርካብ ክጥቀሙሉ ዝጸንሑ ሽፋን እዩ፤ ሓንሳእ ስልጣን ምስ ጨበጡ ድማ ነገራት ይቕየሩ፡\" ይብል።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c6pz9e65y5zo"} {"headline":"ኢሉድ ኪፕቾጌ፡ ናይ ባዕሉ ክብረወሰን ማራቶን ዓለም ኣመሓይሹ","content":"ኣብ ኦሎምፒክ፡ ክልተ ጊዜ ሻምፒዮና ዝዀነ ኣትሌት ኢሉድ ኩፕቾጌ፡ ብሰንበት ኣብ በርሊን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን፡ ብደቂ ተባዕትዮ ናይ ባዕሉ ክብረወሰን ዓለም ኣመሓይሹ። ወዲ 37 ዓመት ኬንያዊ ኣትሌት፡ ነቲ ውድድር ብክልተ ሰዓት፣ ሓደ ደቒቕን ትሸዓተ ካልኢትን'ዩ ዛዚሙዎ። በዚ፡ ነቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ርእሰ ከተማ ጀርመን ዘመዝገቦ ክብረወሰን ብ30 ካልኢት ኣመሓይሹዎ ኣሎ። ብ2014፡ ብተመሳሳሊ ኣብ በርሊን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር፡ ንመወዳድርቱ ዴኒስ ኪሜቶ ብሓደ ደቒቕን 20 ካልኢትን በሊጹ ብ2፡02.57 ብምእታው ክብረ ወሰን ኣመዝጊቡ ነይሩ። “ብዝገበርኩዎ ምድላዋት ኣዝየ ሕጉስ’የ፤ በቲ ዝነበረና ናይ ጉጅለ ስራሕ ድማ ቅልጡፍ ነይረ ይመስለኒ። ኩሉ ናይ ጉጅለ ስራሕ’ዩ” ኢሉ። ወሲኹ፡ “ስድራይ ምትብባዕ ይፈጥሩለይ’ዮም፤ ኣነ ድማ ንመናእሰይ ከተባብዕ’የ ዝደሊ። ስፖርት ሰባት ናብ ሓደ የምጽኦም’ዩ፤ እዚ እዩ ንዓይ ዘተባብዐኒ” ክብል ተዛሪቡ። ኪፕቾጌ፡ ካብ 17 ናይ ማራቶን ውድድራት ኣብቶም 15 ዝተዓወተ ኰይኑ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ፍርቂ ጉያ ማራቶን፡ ብ59 ደቒቕን 51 ካልኢትን’ዩ ዛዚምዎ። በዚ፡ ኣብ ወግዓዊ ውድድር ነቲ ናይ ክልተ ሰዓት ውድድር ብምስባር ናይ መጀመርታ ጐያዪ ንምዃን ትጽቢት ነይሩዎ። ብ2019፡ ኣብ ቬና ኣብ ዝተኻየደ ውድድር፡ ማራቶን ብትሕቲ ክልተ ሰዓት ክጐዪ ክኢሉ’ዩ። ይኹን’ምበር፡ እዚ ወግዓዊ ዓለምለኻዊ ክብረወሰን ኰይኑ ኣይተመዝገበን። ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ኣንዳምላክ በልሁ ንኪፕቾጌ እናተነሓንሐ ኣብ ጐኑ ዝጐየየ ብሕታዊ ኣትሌት ኰይኑ፡ ኣብ 27.35 ኪሎ ሜትሮ ግን ነቲ ውድድር ብምቁራፅ ወጺኡ። ኪፕቾጌ፡ እዚ ኣብ በርሊን ንራብዓይ ግዜ ዘመዝገቦ ዓወት እዩ፤ በዚ ምስ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ሃይለገብረስላሴ ማዕረ ክብረወሰን ዘመዝገበ ኰይኑ ኣሎ። ኬንያዊ ማርክ ኮሪር ኣብቲ ውድድር ካልኣይ፡ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ታዱ ኣባተ ሳልሳይ ብምዃን ውድድሮም ዛዚሞም። ብደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ድማ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ትእግስት ኣሰፋ ብ2፡15.37 ብምእታው፡ ኣብ ታሪኽ ሳልሳይ ቅልጡፍ ሰዓት ኣመዝጊባ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4n0yxz3q5yo"} {"headline":"ራይላ ኦዲንጋ ንውጽኢት ፕረዚደንታዊ መረጻ ኬንያ 'ውዱቕ' ክብል ነጺጉዎ","content":"ራይላ ኦዲንጋ፡ ነቲ ኣቦመንበር ዘይሻራዊ ኮሚሽን መረጻ ኬንያ፡ ትማሊ ዕላዊ ዝገበሮ ውጽኢት ፕረዚደንታዊ መረጻ ኬንያ ነጺጉ። ቀንዲ ተቐናቓኒ ዊልያም ሩቶ ዝኾነ ኦዲንጋ፡  እቲ ትማሊ ሰኑይ ዝተኣወጀ ኣሃዛት ውጽኢት እቲ መረጻ፡ “ዘይሕጋውን ውዱቕን” እዩ ክብል ነጺጉዎ። ብመሰረት እቲ ዝተገልጸ ውጽኢት፡ ራይላ ኦዲንጋ ብምክትል ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ብጸቢብ እዩ ተሳዒሩ። ኦዲንጋ፡ ሓላፊ ኮሚሽን መረጻ እታ ሃገር፡  \"ንሕገመንግስቲ ብግልጺ ዕሽሽ ኢሉ\" ክብል’ውን ከሲሱ። ንሱ፡“ ነቲ ውጽኢት ፕረዚደንታዊ መረጻ ብዘይ ጥርጥር ንነጽጎ\" ክብል ኣፍሊጡ'ሎ። ኦዲንጋ፡ ኣብቲ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ፡ ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ፡ ኣብ ቅድሚ ደገፍቱ ዝሃቦ መግለጺ፡ \"ብሕጋዊ መንገዲ ዝተዓወተ ይኹን ዝተመርጸ ፕረዚደንት የለን\" ኢሉ። እቲ ንነዊሕ እዋን መራሒ ተቓዋሚ ውድብ ዝነበረ ወዲ 77 ዓመት ፖለቲከኛ፡ ንሓሙሻይ ግዜኡ እዩ ንፕረዚደንትነት ተወዳዲሩ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ  መረጻታ ት ንዝተረኽበ ውጽኢት ዝሞገተ ኦዲንጋ፡ ብፍላይ ኣብ 2017 ኣብ ቤት ፍርዲ ምስ በደሀ፡ እቲ መረጻ ዳግማይ ከምዝተኻየደ ዝዝከር እዩ። ኦዲንጋ፡ ንኣቦ መንበር ኮሚሽን መረጻ፡ ዋፉላ ቸቡካቲ “ኣንጻር ሕጊ ሰሪሑ” ኢሉ ዝኸሰሰሶ ዀይኑ፡ ውድቡ ኩሉ ሕጋዊ ኣማራጺታት ክጥቀም ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ። ቅድሚ ምዝራቡ ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ፡ ንውጽኢት እቲ መረጻ ምጽዳቕ ዝኣበዩ፡ ኣርባዕተ ኣባላት ኮሚሽን ምኽንያታቶም ንምግላጽ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቦም ነይሮም። ኣቦመንበር ኮሚሽን መረጻ ቸቡካቲ፡ ንዐኦም ንምውጋን፡ \"ምስ ሒሳብ [ቁጽሪ] ዝተጻረረ ስነ-መጎትን ዕሽነት\" ዝመልአ ውጽኢት ከምዝኣወጀን ድማ ከሲሶምዎ። ሓንቲ ካብቶም ኣርባዕተ ዝኾነት ምክትል ኣደ መንበር እቲ ኮሚሽን፡ ጁልያና ቸሬራ፡ ከምቲ ኣቦ መንበር እቲ ኮሚሽን ዝገለጾ ሚእታዊት እንተደሚርካዮ፡ እቲ ድምር 100.01% ከምዝበጽሕ ገሊጻ። እቲ ኮሚሽን ብ7 ኣባላት ዝቖመ ዘይሻራዊ ትካል'ዩ። ገለ ወሃብቲ ርእይቶ ግን፡ እቲ ናይ ሒሳብ ጌጋ፡ ናብ ቀሊል ናይ ምስላሕ ደረጃ ከም ዝወርድን ናይ ምጽግጋዕ ጉዳይ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጾም ኣለዉ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ckr0pgnmnk4o"} {"headline":"ስልጣን እናተሓጐስኩ ከረክብ'የ፤ መራሒየይ ግን ባባ እዩ' - ኬንያታ","content":"ፕረዚደንት ኬንያ ኡህሩ ኬንያታ፡ ስልጣኑ ብታሕጓስ ንተመራጺ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ከም ዘረክብ ገሊጹ። ይዅን’ምበር፡ እታ ሃገር ብራይላ ኦዲንጋ እንተትምራሕ ምሓሸ ነይሩ ክብል ተዛሪቡ። “ሕገ መንግስታዊ ግቡአይ ስለ ዝዀነ፡ ስልጣን እናስሓቕኩ ከረክብ እየ። ግን መራሕየይ ባባ’ዩ” ክብል ንራይላ ኦዲንግ በቲ ዝፍለጠሉ \"ባባ\" ዝብል ሳጓኡ ጸዊዑ ርእይቶ ሂቡ። ወሲኹ፡ “እዛ ሃገር ናብ ሓደ እትመጽኣሉ ዕድል ኢኹም ከልኪልኩምዋ፤ ንራይላ ኣይኰነን ከልኪልኩምዎ፡” ኢሉ። ኣብ ኬንያ፡ ብ9 ነሓሰ 2022 ፕረዚደንታዊ መረጻ ከም ዝተኻየደ ይዝከር። ነዚ ስዒቡ፡ ውጽኢት እቲ መረጻ ዘይተቐበለ ተነሓናሒ ገዲም ፖለቲከኛ ራይላ ኦዲንጋ፡ እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ድሕሪ ምውሳዱ ኣብ ዙርያ ውጽኢት እቲ መረጻ ክትዕ ክካየድ ቀንዩ። ኣብዚ ሰሙን ግን፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ተዓዋቲ መረጻ ዊልያም ሩቶ ምዃኑ ውሳነ ስለ ዝሃበ፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሉስ እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ቃለ መሓላ ክፍጽም’ዩ። ክሳብ ሕጂ፡ ፕረዚደንት ኬንያታ ብወግዒ ንምኽትሉ እንኳዕ ደስ በለካ ኣይበሎን ዘሎ፤ ይዅን’ምበር ትማሊ ረቡዕ ብዛዕባ ምርኽኻብ ስልጣን ብውልቂ ከም ዝተዘራረቡ ይግለጽ። ፓርላማ ኬንያ ስራሕ ቅድሚ ምጅማሩ [ሎሚ ክጅምር’ዩ] ክልቲኦም መራሕቲ፡ ምስ ልፍንቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ክራኸቡ ጸኒሖም’ዮም። ኬንያታ ኣቦ መንበር ልፍንቲ ኣዚሚዮ ኰይኑ፡ ኦዲንጋ ሕጹይ ፕረዚደንት ገይሩ ንመረጻ ኣቕሪቡ ነይሩ። ክልቲኦም ወገናት ድማ፡ ሕጂ ኣብ ክልቲኡ ባይቶ ንናይ ኣፈ-ጉባኤ ቦታ ዝስዕርሉ መገዲ የናድዩ ኣለው። ብዓብላሊ ድምጺ ነቲ ባይቶ ዝተዓወተ ሰልፊ ግን የለን። ዊልያም ሩቶ፡ ቃለ-መሓላ ምስ ፈጸመ ኣገደስቲ ኣዋጃት፡ ሕጹያት ካቢኔ ሚኒስትራ፡ ኣምባሳደራትን ላዕለዎት ኮሚሽነራትን ከቕርብ ትጽቢት ይግበር።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c840g9r4dkdo"} {"headline":"ዊልያም ሩቶ ሓሙሻይ ፕረዚደንት ኬንያ ኮይኑ ቃለ መሓላ ፈጺሙ","content":"ዊልያም ሩቶ ሓሙሻይ ፕረዚደንት ኬንያ ኮይኑ ቃለ መሓላ ፈጺሙ ዕውት ፕረዚደንታዊ መረጻ ኬንያ ዊልያም ሳሙይ ሩቶ፡ ሓሙሻይ ፕረዚደንት ኬንያ ብምዃን ቃለ መሓላ ፈጺሙ። ወዲ 55 ዓመት ፕረዚደንት ሩቶ፡ ኣብቲ 60 ሽሕ ሰባት ዝተዓደምዎ ስታድዩም ካሳራኒ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዙ ማሕላ ብምፍጻም፡ ቅዋም እታ ሃገር ከኽብርን ከጽንዕን ምዃኑ ቃል ኣትዩ። ኣብቲ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝጸደቐ ውጽኢት መረጻ፡ ብ50.5 ሚእታዊት ድምጺ ክዕወት እንከሎ፡ መነሓንሕቱ ራይላ ኦዲንጋ ድማ 48.8 ሚእታዊት ድምጺ ረኺቡ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ነቲ ናይ ምጥፍፋእ ክስታት ዝቐረበሉ ልዑል ንሕንሕ ዝተኻየደሉ መረጸ፡ ‘ናጻን ፍትሓውን እዩ’ ብምባል ኣጽዲቑዎ ምንባሩ ይዝከር። እቲ ዝተሳዕረ ኦዲንጋ፡ ብዛዕባ እቲ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ውሳነ ዘለዎ ነቐፌታ'ኳ እንተቕረበ፡ ነቲ ውሳነ ግን ተቐቢልዎ'ዩ። እንተኾነ ግን ዋላ እኳ እቲ ዕድመ እንተበጽሖ፡ ኣብቲ ናይ ሎሚ በዓለ ሲመት ኣይተሳተፈን። እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ኣብቲ ወግዓዊ ስነስርዓት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ እቲ መረጻ ሓይል ንሕንሕ ዝተራእየሉ ከምዝነበረ ብምግላጽ፡ ደሞክራስያዊ ትካላት ኬንያ ዘለወን ኣገዳስነት ዘመስከረ'ዩ ክብል ተዛሪቡ። \"ሎሚ ካብ ካልኦት መዓልታት ኣዝያ ዝተፈለየት’ያ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ ኣብዚ ክንበጽሕ ምኽኣልና ምስክርነትና ንህበላ መዓልቲ ኮይና ኣላ፡ ሓደ ካብ ጭው ዝበለ ሃገረሰብ ዝመጽአ ሰብ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ኬንያ ክኸውን ከኢሉ ኣሎ። \"ሎሚ መዓልቲ ኣብዛ ሃገር ሰለማዊ መረጻ ዝተወለደላ መዓልቲ ክንብላ ንኽእል ኢና፡ ሓያላት ፖሎቲካውያን ሰልፍታት ጥምረት ብምፍጣር ኣጀንዳታተን ናብ ህዝቢ ኣቐሪበን ብህዝቢ ኬንያ ዝተፈተናሉ መረጻ’ዩ ነይሩ፡  በቲ ውጽኢት ዘይዓገባ ሰልፍታት ዲሞክራስያዊ መሰለን ተጠቒመን ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከይደን’የን። \" እቲ ዝተውሃበ ውሳነ ኸኣ ነቶም ዝኸሰሱ ምጥርጣሮም ዝዓብስ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ኮምሽን ብርጫን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሃገርናን  ዘለና እምነት’ውን ዘበርኽ’ዩ፡ ብዙሓት ሃገራት ኸኣ ከምዚ ናትና ዓይነት መረጻ ክህልወን’የ ሃርር ዝብላ\" ኢሉ። ንኬንያ ንክልተ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ብፕረዚደንትነት ዝመርሐን ደጋፊ ራይላ ኦዲንጋ ዝነበረን፡ ኡሁሩ ኬንያታ፡ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣብቲ ስነስርዓት ተረኺቡ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ዝርከብዎም ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብቲ ብቀጥታ ብቴሌቪዥን ዝተመሓላለፈ በዓል ተረኺቦም ነይሮም። ኬንያ ኣብ 1963 ካብ መግዛእቲ ብሪጣንያ ናጽነት ካብ እትጎናጸፍ ንደሓር፡ ሓሙሽተ ፕረዚደንታት ርእያ'ላ። ካብዚኦም ኣቦን ወድን ይርከብዎም። ቀዳማይ ፕረዚደንት ኬንያ ጆሞ ኬንያታ ኮይኑ ወዱ ድማ፡ እዚ ሕዚ ስልጣኑ ዘረክብ ዘሎ 4ይ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ እዩ። ነፍስሄር ዳኒኤል ኣራፕ ሞይን ኪባኪን ንኬንያ ንነዊሕ እዋን መሪሖምዋ እዮም። ዊልያምሩቶ ኸኣ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ ብጸቢብ ድምጺ ብልጫ እዩ ተዓዊቱ። ተቓዋሚኡ ራይላ ኦዲንጋ፡ ነቲ ውጽኢት ብምንጻግ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ይግባይ ኢሉ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ቤት ፍርዲ ንዓወት ዊልያም ሩቶ ኣጽዲቑ'ሎ። ነዚ ስዒቡ ራይላ ኦዲንጋ ነቲ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ውሳነ ተቐቢልዎ። ኣብቲ ናይ ሎሚ ስነስርዓት ቃለ መሓላ ከምዘይሳተፍ'ዩ ገሊጹ። ስልጣኑ ዘረከበ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ክሳብ መወዳእታ ነቲ ዝተሳዕረ ራይላ ኦዲንጋ'ዩ ዝድግፍ። ክሳብ ትማሊ'ውን ንፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ናይ እንቋዕ ሓጎሰካ መልእኽቲ ኣይሰደደን። መወዳእታ ግን፡ ትማሊ ሰኑይ ናብ ቤተ መንግስቲ ጸዊዑ ምስ በዓል ቤቱ ብሓባር ተቐቢሎም ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ዑደት ኣግቢሮሞም። ሎሚ ቃለ መሓላ ዝፈጸመ ሩቶ፡ ንዝሓለፉ 10 ዓመታት ምክትል ኡሁሩ ኬንያታ ኮይኑ ኣገልጊሉ'ዩ። ይኹን እምበር ኣብ መንጎኡን ኡሁሩን ግርጭት ተፈጢሩ ኣሎ። ዊልያም ሩቶ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ካብቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኵምራ ዕዳ መውጽኢ መንገዲ ክደሊ ትጽቢት ይግበር። ኬንያ ዘይተለምደ ዕዉት መረፃ ብምክያዳ ብማሕበረሰብ ዓለም ናእዳ ረኺባ እያ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c19jw43pe2no"} {"headline":"ኬንያ፡ ካብ ሰራሕተኛ ገዛ ናብ ኣመሓዳሪት ግዝኣት ክትከውን ዝበቕዐት ጓል ኣንስተይቲ","content":"ሓንቲ ካብተን ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ዝተዓወታ ሸውዓተ ደቂ ኣንስትዮ ኣመሓደርቲ ዝዀነት፡ ኣብ እዋን ንእስነታ፡ ናብርኣ ንምሕጋዝ ትምህርታ ኣብኲራ ሰራሕተኛ ገዛ ኮይና ትሰርሕ ምናበራ ተዛሪባ። ካዊራ ምዋንጋዛ፡ ትማሊ ኣመሓዳሪት ግዝኣት ሜሩ ኰይና ቃለ መሓላ ክትፍጽም እንከላ፡ ስድራቤታ ድኻታት ስለ ዝነበሩ ጓል 14 ዓመት እንከላ ትምህርታ ከም ዘቋረጸቶ ሓቢራ። “ንሓደ ዓመት ዝኸውን ሰራሕተኛ ገዛ ኰይነ ሰሪሐ'የ፡ ከቢድ'ዩ ነይሩ። ግን ብውሽጠይ ወትሩ ከም ዝዕወት ይኣምን ነይረ” ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ። እታ ኣብ መወዳእታ 40ታት እትርከብ ፖለቲከኛ፡ “ሓደ መዓልቲ ካብ ድኽነት ወጺአ ክዕወት ከም ዝኽእል ተስፋ ቘሪጸ ኣይፈልጥን” እውን ኢላ። ኣብ ኬንያ፡ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ገዛ ንነዊሕ ሰዓታት’ኳ ዝሰርሃ እንተኾና ኣታዊአን ግን ኣዝዩ ትሑት’ዩ። ካዊራ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ናብ ትምህርቲ ተመሊሳ፡ ንኣሽቱ ንግዳዊ ንጥፈታት ብምክያድ ወጻኢታት ትምህርታ ሸፊና ትምህርታ ወዲኣ። ዕውትቲ ነጋዲት ጓል ኣንስተይቲ ምስ ኰነት፡ ኣብ 2013 ኣብ ፖለቲካ ድልየት ክሓድራ ምስ ጀመረ ንባይቶ ተወዳዲራ፤ ሽዑ ግና ኣይሰመረላን። ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት፡ ወኪል ደቂ ኣንስትዮ እታ ምምሕዳር ኮይና ክትምረጽ እንከላ፡ ኣባላት ደቂ ኣንስትዮ ባይቶ ንምዕባይ ዝዓለመ ፍሉይ መንበር ረኺባ። ፖለቲካዊ ዓቕምታታ እናዕበየት ዝመጽአት ካዊራ፡ ሕጂ ድማ ነቲ ንኻልኣይ ግዜ ኣመሓዳሪ ግዝኣት ሜሩ ንምዃን ዝተወዳደረ ኪራቱ ሙሩንጊ ስዒራ ፖለቲካዊ ዓቕማ ኣመስኪራ ኣላ። ጐስጓስ መረጻ ተካይድ ኣብ ዝነበረት እዋን፡ ሙዚቀኛን ኣወሃሃድን በዓል ቤታ ምዋሬጋ ባይቹ ሒዛቶ ትመጽእን ንደገፍታ ብጊታር የዛንዮምን ስለ ዝነበረ፡ ልዑል ቑጽሪ ዘለዎም ሰባት ዝእከብሉ ጐስጓስ እያ ተካይድ ነይራ። ደቂ ኣንስትዮ ፖለቲከኛታት ኬንያ፡ መድሃልን ጾታዊ ምንሻዋትን ስለ ዘጋጥመን ዝልዓለ ስልጣን ንምሓዝ ዝበቕዓ ውሑዳት እየን።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3g5d02nrdko"} {"headline":"ማርታ ኮሜ፡ ካብ ጎስጓሲት መሰል ደቂ ኣንስትዮ ናብ ዋና ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ","content":"ኣብ ወርሒ ግንቦት 2021 ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ላዕለወይቲ ዳኛ ኬንያ ኮይና ዝተሸመት ማርታ ኮሜ፡ ኣብቲ 9 ነሓሰ ዝተኻየደ ፕረዝደንታዊ መረፃ ኬንያ፡ ምክትል ፕረዝደንት ዊልያም ሩቶ ንራይላ ኦዲንጋ ዝሰዓረሉ ዓወት ብምርግጋፅ፡ ላዕለወይቲ ዳኛ እታ ሃገር ኮይና ኣብ ዝሰርሐትሉ ሓፂር ግዘ ኣዝዩ ወሳኒ ዝኾነ ብይን ሂባ። ኣብ ዝሃድአ መንፈስ ኰይና ፍርዳ ሂባ፤ ቃላታ ግና ብርቱዕ እዩ ነይሩ። ኣብ ልዕሊ ኦዲንጋ ዝተገበረ ዝኾነ “ሽርሒ” ኣይነበረን፣ ናይ ሕጊ ጉጅለኡ’ውን ንሩቶ ዝድግፍ ምትላል ከም ዝተፈፀመ ዘረጋግፅ መርትዖ ከቕርቡ ኣይከኣሉን ኢላ። እዛ ጓል 62 ዓመት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ግንቦት ብቴለቪዥን በቐጥታ ኣብ ዝተመሓላለፈ መደብ፡ ብኮምሽን ኣገልግሎት ፍትሒ ኬንያ (JSC) ቃለ መሕተት ካብ ሞንጎ ዝተገበረሎም 10 ሕፁያት ኣብ ቅድሚት ድሕሪ ምስርዓ’ያ፡ ብፕረዝደንት ኡሁሩ ኬንያታ ላዕለወይቲ ዳኛ ቤት ፍርዲ ኮይና ዝተሾመት። ኣብቲ እዋን ርኢቶ ዝሃበ ሓደ ውልቀሰብ፡ “እዛ ጓል ኣንስተይቲ እዚኣ ትንፋስ ንፁህ ኣየር እያ። ንዝተሓተቱ ሕቶታት ብዝተሓተትሉ መገዲ ትምልስ እሞ፡ ናይ ባዕላ ሞያዊ ማሕተም ኣብ ልዕሊኦም ተንብረሎም” ብምባል፡ ብዛዕባ ብቕዓት ማርታ ኮሜ መስኪሩ። ማርታ፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ ቅድሚ ምዝዛሙ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት’ያ ኣብ 1960 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ተወሊዳ። ኣብ ቃለ መሕትታ፡ ኣብ ምብራቓዊ ኬንያ ሜሩ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ብዙሕ ጋማ (polygamous) ኣብ ዘለዎ ስድራ ክትዓቢ እንከላ ብዛዕባ ዘጋጠማ በዳሂ ኩነታት ተዛሪባ’ያ። “ከም ሓቂ፡ ኣነ ኣብ ገጠር እየ ዓብየ። ወለደይ ሓረስቶት’ዮም ኔሮም፡ ካብ ክልተ ኣደታት እንውለድ 18 ቆልዑ ኢና ነይርና። ስለዚ ንኹልና፡ ብፍላይ ድማ ንኣዋልድ ነዚ ዘይምዕሩይ ኩነት ምስዓር፡ ቃልሲ’ዩ ነይሩ” ትብል። ንሳ ብዙሕ ፍትውቲ ስለዘይነበረት ዋና ዳኛ ንምዃን ብዙሕ እያ ሰጊራ፤ ሰብሞያ፡ እቲ ኣብ 2017 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዝተኻየደ መረፃ ስዒቡ ኣብ ዝተፈጠረ ክትዕ፡ ንኬንያታ ወኪሉ ዝነበረ ፍረድ ነጋቲያ ተዓዋቲ ከምዝኸውን ብገንዘቦም ተወራሪዶም። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ፡ እቲ ኡሁሩ ኬንያታ ዝተዓወተሉ ውፅኢት መረፃ ዘይስሩዕነት ከም ዝነበሮ ብምግላፅ፡ ነቲ ውፅኢት ውድቂ ገይርዎ። ዳግማይ መረፃ ንኽካየድ ድማ ብይን ኣመሓላለፈ። ዋላ’ኳ መነሓንሕቱ ራይላ ኦዲንጋ ዳግማይ መረፃ ንኸይካየድ እንተኣደመ፡ ኡሁሩ ኬንያታ ግና ኣብቲ ዳግማይ ዝተኻየደ መረፃ ተዓዊቱ። ፍረድ ነጋቲያ ኣብ ጉዳይ መረፃ እቲ ፕረዚደንት'ኳ እንተዘይተዓወተ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ መድረኽ መጋባእያ ዝነበሮ ምልከት ቋንቋን ምብራህ ሕጋዊ ፍርድን ግና፡ ብብዙሓት ኬንያውያን ልዑል ነጥቢ ኣምፂእሉ እዩ። እንተኾነ ማርታ ኮሜ፡ ኣብቲ ኣርባዕተ ሰዓታት ዝወሰደ ወጣሪ ሕቶታት ህድእቲ እያ ነይራ። ኣብ ህፃናት፣ መሰላት ስርዓተ ፆታን ኣብ 2010 ሕገ መንግስቲ ኬንያ ኣብ ምርቃቕ ዝነበራ ግደን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ እማመ መሰላት ዝነበራ ግደ ጎሊሁ ተራእዩ። ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበረ ብኣንፃሩ፡ እቲ ሕገ መንግስቲ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ንዝፍፀም ኣድልዎ ብኸመይ ከም ዝከላኸሎ ብኹርዓት ተዛረበት። ንሳ ኣብቲ ብርክት ብዝበሉ ክኢላታት ንዝቐርበላ ሕቶታት ዝመለሰትሉ መድረኽ፡ “ብዛዕባ ዜግነት ክዛረባ ኣይኽእላን፤ ከም መርዓ ትሕቲ ዕድመን ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮን ዝኣመሰሉ፡ ዝጸንሑ ልምምዳት ክቕጽሉ ኣፍቂዱ። ነዊሕ መገዲ ተጓዒዝና ኣለና” ኢላ። ኣብቲ ምስ ኮምሽን ኣገልግሎት ፍትሒ ኬንያ ዘካየደቶ ቃለ መሕተት ዝነበራ ዓብይ ብድሆ፡ ኣብ ድሮ እቲ ኣብ 2017 ዳግማይ ዝተኻየደ መረፃ፡ ኣብ መጋባእያ ህፁፅ ይግባይ ንዝነበራ ግደ ምክልኻል’ዩ ነይሩ። ኣብታ ዕለት፡ ሓደ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ኩሎም ተመለስቲ ሓለፍቲ መረፃን ምክትላቶምን ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ከም ዝተሾሙ በይኑ ነይሩ። ንሳን ካልኦት ክልተ ደያኑን፡ ነዚ ብምዕላው፡ እቲ ድምፂ ንቅድሚት ክስጕም ገበሩ፡ ሕገ መንግስታዊ ቅልውላው ንምክልኻል ዝወሃብ ግዝያዊ ትእዛዝ ከምዝኾነ እያ ሓቢራ። ኣብቲ ፓነላዊ ቃለ መሕተት ዝነበረ ቀንዲ መካትዒ፡ እቲ ብይን ባዕሉ ዘይኮነስ፡ እቲ ውሳነ፡ ኩሎም ወገናት ኣብ ዘይተረኸብሉ ካብ ስሩዕ ናይ ስራሕ ሰዓት ወፃኢ ዝተውሃበ ምዃኑ’ዩ። እታ ህድህቲ ዋና ዳኛ ግና፡ ሃገራዊ ረብሓ ኣብ ዘለዎም ኩነታት፡ ንይግባይ ዝሰምዕ ቤት ፍርዲ ነዚ ክገብር ከምዝኽእል፣ ካብኡ ድማ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምስቶም ተመለስቲ ሓለፍቲ ፀገም ከም ዘይንበረን እቲ ክሲ ካብ መፈለምትኡ ውዱቕን ባዶን ከምዝኾነ ብተደጋጋሚ ምግላፁን ሓቢራ። ኬንያ ነፃነታ ካብ ትእውጅ ንነዘ፡ ማርታ ኮሜ መበል 15 ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር እያ። ሓደ እዋን ንሳ ብዛዕባ ገዛእ ርእሳ ክትዛረብ ከላ፡ ብጉጅለ ኣብ ዝስራሕ ስራሕ ንፍዕቲ ምዃና ተዛሪባ ነይራ፤ ስለ ዝኾነ፡ ኣድላይ ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ከም ዋና ዳኛ፡ ናብቲ ፕረዝደንት ደዊላ ንምዝርራብ ሰጋእመጋእ ከምዘይትብል ገሊጻ። እዚ ከኣ ጎንፅታት ንምእላይ ፅቡቕ ሜላ ምዃኑ ከም እትኣምን ሓቢራ። ዳያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምስ ዝኾኑ ብፆታ ዘይምርድዳእ ምስ ዘጋጥም ብኸመይ ከም ትፈትሖ ሕቶ ዝቐረበላ ማርታ፡ “ምግቢ ሰባት ፅቡቕ ገይሮም ንክዛረቡ ይሕግዞም… ስለዚ፡ ሓደ ክልተ ግዜ ውጽእ ኢልካ ብሓባር ምብላዕ እቲ ፀገም እንታይ ምዃኑ ንምርዳእ ሓጋዚ እዩ” ትብል። ራይላ ኦዲንጋ ኣብ ዘቕረቦ ጥርዓን እቶም ካልኦት ሽድሽተ ዳያኑ ንኽዘራረቡ ንምሳሕ ትወስዶም እንተኔራ’ኳ እንተዘይተፈለጠ፡ ውሳንኦም ግና ብሙሉእ ድምፂ’ዩ ነይሩ። እዚ ድማ፡ እቲ ቤት ፍርድን እታ ላዕለወይቲ ዳኛን፡ ብብዙሓት ኬንያውያን ንዘለዎም ተኣማንነት ዘዕዝዝ እዩ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crg28el7gzro"} {"headline":"ኢትዮ ቴሌኮም ወግዓዊ ዝገበሮ ኢ-ሲም እንታይ'ዩ? መን ከ ክጥቀመሉ ይኽእል?","content":"ኢትዮ ቴሌኮም ቅድሚ ሕጂ ካብ እንፈልጦ ሲም ካርድ ወጻኢ ኣገልግሎት ስልኪ ከጥቅም ዝኽእል ኢ-ሲም ዝተባህለ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ወግዓዊ ገይሩ ኣሎ። ተጠቀምቲ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከቡ ማእከላት ኣገልግሎት ብምኻድ ተጠቀምቲ እቲ ቴክኖሎጂ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ እቲ ትካል ገሊጹ። ካብኡ ሓሊፉ፡ ኣብ ቀረባ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ እውን እቲ ኣገልግሎት ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ ኣሎ። ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ዝጀመረ እዚ ኣገልግሎት፡ ኣብ ዓውዲ ተሌፎን ሓደሽቲ ካብ ዝብሃሉ ምዕባለታት ቴክኖሎጂ እዩ። ንምዃኑ ኢሲም እንታይ እዩ? ከመይ'ዩ ዝሰርሕ? ተጠቃሚ እዚ ኣገልግሎት ንምዃን እንታይ ዓይነት ተሌፎን ክህልወካ ኣለዎ? ብዛዕባ እዚ ዘመናዊ ሲም ቅድሚ ምውጋዕና፡ ኣቐዲሙ ብዛዕባ እንፈልጦ ሲም ካርድ ገለ ነገር ክንብል ኣገዳሲ እዩ። ሲም ወይ ብኢንግሊዘኛ Subscriber Identification Module ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓቐኑ ንእሽቶ ዝዀነ ጭራም ፕላስቲክ መሳሊ ኰይኑ፡ ኣብ ተሌፎናት ኣትዩ ኣገልግሎት ኔትዎርክ ይህበና። እዚ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ሓደ ተጠቃሚ ናብ ኔትዎርክ ዘመሓላልፍን ሓቅነት እቲ ዝሓዝናዮ ስልኪ ዘረጋግጽን እዩ። ሲም ካርድ፡ ቝጽሪ ስልኪ ካብ ምሓዝ ጀሚሩ ክሳብ ካልኦት መረዳእታታት ኣብ ውሽጡ ዝኽዝን ኰይኑ፡ ስልኪ ንምድዋልን መልእኽቲ ንምቕባልን ከምኡ’ውን ናይ ኢንተርነት ዳታ ንምጥቃም የኽእለና። ሲም ካርድ፡ ብ1991 ዓ.ም [ኣ. ኣ] ካብ ዝነበሮ ቅርጺ ክረዲት ካርድ ዝመስል ዓቐን፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመታት ናብ ንእሽቶ [ሚኒ] መጠን ተመሓይሹ’ዩ መጺኡ። ብ2003፡ ማይክሮ ሲም ዝተባህለ ብዓቐኑ ንእስ ዝበለ ሲም ካርድ፡ ምስ ፍርያት ኣይፎን 4 ተመራሪሑ መጺኡ። ብ2012 ድማ፡ ‘ናኖ’ ዝተባህለ ብቕርጹ ካብቶም ቅድመኡ ዝነበሩ ሲም ካርድታት ዝንኣሰ ሲም ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ። ሕጂ፡ ኢ-ሲም ወይ ድማ ‘ኢምበድድ ሲም’ ዝበሃል እምበኣር ብ2016 ዝተኣታተወ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ሲም ካርድ እዩ። እዚ ሲም፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ብኢድና ዳህሲስና ናብ ስልክና እነእትዎ ዝነበርና ሲም ካርድ ክተርፍ ዝገብር እዩ፤ ዝተፈለየ ኣገልግሎት ግን የብሉን። እዚ ነቲ ናይ ፕላስቲክ ካርድ ዘትርፍ ቴክኖሎጂ፡ ስማርት ተሌፎናት ክፈርዩ እንከለው ተገጢሙ [ኤምበድ ተገይሩ] ዝመጽእ እዩ። እዚ ዲጂታዊ ቴክኖሎጂ ሲም፡ ካብ ሓደ ተሌፎን ወጺኡ ናብ ካልእ ተሌፎን ዝመሓላለፍ ወይ ዝግጠም ግን ኣይኰነን። እኳ ድኣ፡ ኣብ ‘ቦርድ’ ዘመናዊ ተሌፎናት ተገጢሙ ዝመጽእ ኢ-ሲም፡ ዝሓዞም መረዳእታታት ደምሲስካ ሓድሽ መረዳእታ ከተእቱ ትኽእል። ካብ ሓደ ኔትዎክ ዘቕርብ ትካል ናብ ካልእ ኣቕራቢ ኔትዎርክ፡ ዘለካ ሲም ካብ ተሌፎንካ እንከየውጻእካ ክትቅይሮ ትኽእል ኢኻ። ካብኡ ሓሊፉ፡ ተወሳኺ ኣቕራቢ ኔትዎርክ ክትጥቀም ዕድላት ይፈጥረልካ። እዚ ማለት፡ ኔትዎርክታት ኢትዮ-ተሌኮምን ሳፋሪኮምን ብሓደ ግዜ ካብ ሲም ካርድ ወጻኢ ክትጥቀም ትኽእል። ኢንጅነር ሶፍትዌር ሮቤራ ግርማ፡ እዚ ንኢትዮጵያ ሓድሸ ዝዀነ ኢ-ሲም ምጥቃም ካብ ዝጀመሩ ዓማዊል ሓደ እዩ። ሮቤራ፡ ኣገልግሎት ኢ-ሲም ንነዊሕ ግዜ ክጽበዮ ከም ዝጸንሐ ብምግላጽ፡ እቲ ትካል ነዚ ኣገልግሎት ምስ ኣላለየ ቀልጢፉ ብምኻድ ከም ዝተመዝገበ ይገልጽ። ነዚ ኣገልግሎት ክትጥቀም ካብ ዝደፍእዎ ምኽንያታት እቲ ሓደ፡ ስርቂ ተሌፎን ንምትራፍ ከም ዝዀነ ይዛረብ። “ኣብ ሃገርና ሰፊሕ ስርቂ ተሌፎናት ኣሎ። ክልተ ወይ ሰለስተ ተሌፎን ሒዝካ ትዅረትካ ናብ ሓደኡ ክኸውን እንከሎ፡ ትስረቕ” ይብል። ሕጂ ግን፡ ኣብ ሓደ ስልኪ ዝተፈላለዩ ኔትዎርክታት ክጥቀም ናብ ዝኽእለሉ ቴክኖሎጂ ተጸንቢሩ ኣሎ። ተሌፎናት ጋላክሲ ፒክስል፡ ካብ 2017 ኣትሒዙ ኢ-ሲም ነይሩወን፤ ተሌፎናት ኣፕል ድማ ካብ 2018 ጀሚሩ ኢ-ሲም ሒዘን መጺአን። ሳምሰንግ፡ ተሌፎናቱ ኢ-ሲም ካርድ ይቕበላ እየን። ይዅን’ምበር ኵለን ስርሓት ሳምሰንግ ኣገልግሎት እዚ ሲም ካርድ ኣይቅበላን። ዘመናዊ ዝበሃላን ኣብ ቀረባ ዝፈረያን ስማርት ተሌፎናት፡ ሳምሰንግ ጋላክሲ እንተሃልዩኩም፡ ተጠቀምቲ ኢ-ሲም ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም። ንኣብነት፡ ካብ ሳምሰንግ ጋላክሲ ኤስ-20 ክሳብ 22 ከምኡ’ውን ተሌፎናት ሳምሰንግ ኖት እዚ ኣገልግሎት ከተኣናግዳ ይኽእላ’የን። ሳምሰንግ ጋላክሲ ዜድ ፎልድን ፍሊፕን ዝተባህላ ተዓጸፍቲ ተሌፎናት’ውን ተጠቀምቲ ኢ-ሲም’የን። ካብዚ ወጻኢ ፍርያት ኣፕል ብዝዀና ተሌፎናት ኣይፎን፡ ኢ-ሲም ምጥቃም ከም ዝከኣል ኢትዮ-ቴሌኮም ይገልጽ። ካብ ኣይፎን ኤክስ ጀሚሩ ክሳብ ኣይፎን 13 ዘለዋ ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝፈረያ ስልክታት እዚ ኩባንያ እንተሃልየናኹም ተጠቀምቲ ኢ-ሲም ክትኰኑ ትኽእሉ። ኣብዚ ዓመት [2022] ዝፈረየ ኣይፎን ኤስኢ 3’ውን ነዚ ኣገልግሎት ይቕበል’ዩ። ኢትዮ-ቴሌኮም፡ ኣብ ቀረባ ናብ ዕዳጋ ዝመጽኣ ኣይፎን 14 ነዚ ኣገልግሎት ከም ዝቕበል'ኳ እንተዘይገለጸ፡ እዘን ዘመናውያን ተሌፎናት ናብ ኢትዮጵያ እንተመጺአን ኢ-ሲም ናይ ምጥቃም ዕድል ከም ዝህሉ ይግመት። ዕዳጋ ተንቀሳቐስቲ ተሌፎናት ካብ ዝተቘጻጸራ ስልክታት ሳምሰንግን ኣይፎንን ብተወሳኺ፡ ስልክታት ጉግል ፒክስል’ውን እዚ ሲም ካርድ ዝቕበላ እየን። ኦፖ ሰለስተ ዓይነት፡ ዝተባህላ ፍርያት ቻይና ዝዀና ቴሌፎናት፡ ነዚ ሲም ካርድ ዝቕበላ’ኳ እንተዀና፡ ፍርያት ኦፖ ጥራይ’የን ኣብ ኔትዎርክ ኢትዮ-ቴሌኮም ተቐባልነት ዘለወን። ብተወሳኺ፡ ሁዋዌ ፖ40፡ ፒ40 ፕሮን ሁዋዌ ማቴ40ን ከምኡ’ውን ኣርባዕተ ዓይነት ስርሓት ሞቶሮላ ኣብ ኔትዎርክ ኢትዮ-ቴሌኮም ተቐባልነት ረኺበን ኣለዋ። ኣብ ቀረባ ኣብ ኔትዎርክ ኢትዮ-ቴሌኮም ዝኣተወ ሳፋሪኮም፡ ዋላ’ውን ኣገልግሎቱ ኣብ ቀረባ ኣብ ድሬዳዋን ካልኦት ከተማታትን እንተጀመረ፡ ኢ-ሲም ተግባራዊ ክገብር ትጽቢት ይግበር። ኣብ ኬንያ ብዙሓት ተጠቀምቲ ዘለውዎ ኩባንያ ሳፋሪኮም፡ ዘመናዊ ብዝበሃላ ተሌፎናት ኣቢሉ ኣገልግሎት ኢ-ሲም ይህብ እዩ። ኣፕል ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ተጠቀምቲ ዘላለየን ኣይፎን 14፡ ኣብ ዕዳጋ ኣሜሪካ ዝውዕል መእተዊ ሲም ካርድ ከም ዘይብለን ይጠቅስ። እዚ ውሳነ ኣፕል፡ ብዙሓት ኣቕረብቲ ኔትዎርክ ኢ-ሲም፡ ኣገልግሎት ንክጅምሩ ክውስኑ ክደፍኦም ይኽእል’ዩ። መእተዊ ሲም ካርድ ዘይብለን ተሌፎናት፡ ናብ ዕዳጋ ምቕራብ ዝጀመረ ኣፕል ኣይኰነን፤ መጀመርታ ሞቶሮላ ራዝር ፍሊፕ ዝተባህለት ተሌፎን እዩ ነዚ ስርሓት ሒዙ መጺኡ። ብኢንግሊዘኛ ‘ኢምቤድድ ሲም’ ዝበሃል ሲም ካርድ፡ እታ ብኣእዳውና ንድህስሳ ሲም ካርድ ካብ እትህቦ ጥቕሚ ንላዕሊ ዝተፈላለዩ ረብሓታት ኣለውዎ። ተሌፎንኩም፡ ኢ-ሲም ትቕበል እንተዀይና ሲም ካርድ ዘእቱ በዓል ክልተ ሲም ካርድ ተሌፎን ክትኰኑ ትኽእሉ ማለት’ዩ። ብኢ-ሲም ኣቢልካ፡ ክልተ ሲም ካርድ ክትጥቀም ትኽእል። ስለዚ፡ እቲ ሓደ ረብሓ ኢ-ሲም፡ ኣብ ሓደ ስልኪ ክልተ ሲም ካርድ ክትሕዝ ምኽኣል እዩ። ካልኣይ፡ ኢ-ሲም ኣብ ዝቕበላ ተሌፎናት ክሳብ ሓሙሽተ ሲም ካርድ ክተእትው ትኽእሉ። ካልእ ረብሓ ኢ-ሲም፡ ካብ ሓደ ኔትዎርክ ናብ ካልእ ኔትዎርክ ክትቅይሩ እንተደሊኹም፡ ሓድሽ ሲም ካርድ ንምግዛእ ኣይትግደዱን። ኣብ ገለ ሃገራት፡ እዚ ንምግባር ናብ ሓደ ኔትዎርክ ዘቕርብ ትካል ተሌፎን ትድውል፤ ብኢንተርነት ኣቢሉ ድማ ነቲ ኔትዎርክ ክቕይሮ ይኽእል። ንኣብነት፡ ካብ ሳፋሪኮም ናብ ኢትዮ-ቴሌኮም ክትቕይሩ እንተደሊኹም ሓድሽ ሲም ካርድ ከይገዛእኹም እቲ ኔትዎርክ ምትሕልላፍ ትኽእሉ። ብፍላይ ድማ፡ ካብ ሓንቲ ሃገር ናብ ካልእ ዝጓዓዙ ሰባት፡ መርፍእ መሳሊ ኣሊሾም ነታ ሲም ካርድ እተእቱ ነዃል ከፊቶም ካልእ ካብ ምእታው ይገላገሉ ኣለው ማለት እዩ። ብመንጽር ድሕነት ክኣ፡ ሰረቕቲ ተሌፎንኩም መንዚዖም ብምውሳድ ከይጉርጉርዎ ይከላኸል። ይዅን’ምበር፡ ኢ-ሲም ርእሱ ዝኽኣለ ጐድናዊ ሳዕቤናት ኣለዎ እዩ። ንኣብነት፡ ተሌፎንኩም እንተተበላሽያ፡ ከምቲ ካልእ እዋን ሲም ካርድ ኣውጺእኩም ናብ ካልእ ተሌፎን ኣእቲኹም ክትጥቀሙ ኣይትኽእሉን። ፎርብስ ዝተባህለ መጽሄት፡ እቲ ሓደ ጉድኣት ኢ-ሲም ብቐሊሉ ‘ትራክ’ ክንግበር ዘኽእል ምዃኑ እዩ ይብል። እዚ ማለት፡ መንግስቲ ወይ ዝዀነ ትካል፡ በቲ ዝጥቀመሉ ሲም ካርድ ይከታተሉኒ እዮም ዝብል ስክፍታ እንተሃልዩኩም፡ ኢ-ሲም ኣስጋኢ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ፊልምታት ከም እንርእዮ፡ እቲ ብኣእዳውና እንድህስሶ ሲም ካርድ ካብ ተሌፎን ኣውጺኦም ምስ ደርበዩዎ ኣድራሻኦም ምርካብ ከቢድ እዩ። ተጠቃሚ ኢ-ሲም እንተዄይንካ ግን፡ እቲ ተሌፎን ብዕእንደ ርእሱ እንተዘይደርቢኻዮ ብቐሊሉ ኣድራሻኻ ክተጥፍእ ኣይትኽእልን። ተበጻሕነት ቴሌኮምዩኒኬሽን፡ ሚዲያን ቴክኖሎጅን ዝከታተል ኦሚዲያ ዝተባህለ ትካል፡ ብደረጃ ዓለም ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ሓሙሽተ ሚኢታዊት ስማርት ስልክታት ኢሲም ክህልወን እዩ ይብል። እዚ ቑጽሪ፡ ኣብ 2024 ናብ 20 ሚኢታዊት ክዓቢ ትጽቢት ይግበር። ስልክታት ኣፕል፣ ሁዋዌን ሳምሰንግን፡ ልዕሊ ፍርቂ ዕዳጋ ስማርት ተሌፎን ዓለምና ይሕዙ። እዚኦም፡ ኢ-ሲም ወሲዀም መጺኦም ኣለው። ኢ-ሲም፡ ስማርት ስልክታት ጥራይ ዘይኰኑ፡ ብዙሓት ኩባንያታት ስልኪ የፍርዩዎም ኣብ ዘለው ስማርት ናይ ኢድ ሰዓታት እውን ክግጠሙ ጀሚሮም ኣለው። ተንተንቲ ቴክኖሎጂ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ተጠቃምነት ኢ-ሲም ቀስ ብቐስ እናዓበየ ይመጽእ ምህላው ይኣምኑ። በዚ መንጽር ደቡብ ኣፍሪቃ ሰፊሕ ተጠቃምነት ዘለዋ ሃገር እያ። ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ፡ ቴክኖሎጅን ኣገልግሎትን ሞባይል ኣብ 2019 ኣብ ጠቕላላ ምህርቲ እተን ሃገራት ዝነበሮ ኣበርክቶ 9 ሚእታዊት [ኣስታት 155 ቢልዮን ዶላር] ጥራይ እዩ ነይሩ። ይዅን’ምበር፡ ኣብዚ ዞባ ካብ ዝርከቡ ኣስታት 800 ሚሊዮን ሰባት ክሳብ ሕጂ ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ኢንተርነት ሞባይል ኣይኰኑን።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crg27p3qdljo"} {"headline":"ሓድሽ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፡ ንዝምድና ኢትዮጵያን ኬንያ ከመይ ክጸልዎ እዩ?","content":"ኬንያ ኣብ ዝሓለፈ መጀመርታ ወርሒ ነሓሰ ብዘካየደቶ ሃገራዊ መረጻ ሓድሽ ፕረዚደንት መሪጻ’ላ። ኣብዚ መረጻ፡ ዊልያም ሩቶ፡ ነቲ ሓያል መወዳድርቱ ምኩር ፖለቲከኛ ራይላ ኦዲንጋ ስዒሩ እዩ ፕረዚደንት ክኸውን ክኢሉ ኣሎ። በዚ መሰረት፡ ሩቶ እታ ሃገር ኣብ 1963 ናጽነታ ካብ እትረክብ ንነጀው መበል ሓምሻይ ፕረዚደነት ኮይኑ ኣሎ። እቲ ካብ 2013 ኣትሒዙ ን10 ዓመታት ንኬንያ ክመርሕ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ፡ ነቲ ጽባሕ 13 መስከረም ቃለመሓላ ዝፍጽም ሓድሽ ፕረዚደትን ዊልያም ሩቶ መንበረ ስልጣኑ ከረክብ እዩ። ምምጻእ ሩቶ ናብ ስልጣን፡ ኲናት ሓድሕድ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግም ኣብ ዝተባርዓሉ እዋን እዩ። ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ንዝተወልዐ ግጭት መዕለቢ ንምርካብ ንፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሴጉን ኦባሳንጆ ፍሉይ ልኡኽ ጌሩ መዚዙ እዩ። ሓይልታት ትግራይ ግና ድርድር ብመንጎኝነት ኬንያ ክካየድ እዮም ብተደጋጋሚ ክሓቱ ጸኒሖም። እዚ ድማ ኣብ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ጽልዋ ክህልዎ ምዃኑ ብኣጋኡ ክግመት ይከኣል። ስለዚ፡ ፕረዚደንትነት ሩቶ፡ ኣብ መንጐ ኢትዮጲያን ኬንያን ዘሎ ዝምድና ብኸመይ ክጸልዎ ይኽእል? ኬንያ፡ ኣብ 1963 ናጽነታ ድሕሪ ምርካባ፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ጸጥታውን ቁጠባ’ውን ዝምድና ጸኑሑ እዩ። ኢትዮጵያ ምስ ኬንያ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ዝጀመረት፡ ኣብ 1945 [ኣ.ኣ] ኣብ ናይሮቢ ቈንስላዊ ቤት ጽሕፈት ድሕሪ ምኽፋታ ምዃኑ፡ ኣብ ክሊ ጸጥታን ሰላምን ክልቲአን ሃገራት ናይ ማስተርስ መጽናዕታዊ ጽሑፉ ዘዳለወ ኣቶ መለሰ ዘለቀ ይገልጽ። ተንታኒ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝዀነ ዓብዱላሂ ቦሩ፡ “ዝምድና ክልቲአን ሃገራት፡ ምስ ናይ ካልኦት ሃገራት እንክነጻጸር እቲ ዝሓየለ ዝምድና እዩ፡” ይብል። ብተመሳሳሊ፡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ባጫ ደበሌ፡ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት፡ ድሕር’ቲ ኢጣልያ ንኢትዮጵያ ዝወረረትሉ ግዜ ኣትሒዙ እናሓየለ ምምጽኡ ይገልጽ። “ምስ ኬንያ ፍሉይ ዝምድና እዩ ዘለና። እዚ ዝምድና’ዚ ዝጀመርዎ ኣቦታትና እዮም፤ ኣብ ግዜ ሃይለስላሰ፡ ሓርበኛታት ሃዲሞም ዝተዓቘቡሉ ኬንያ እዩ። ኬንያውያን ድማ፡ ሓርበኛታትና ተቐቢሎም ኣዕጢቘም ንኢትዮጵያ ኣፋንዮምዎም። ኬንያውያን ካብ መግዛእቲ ንምልቓቕ ኣብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ቃልሲ፡ መንግስቲ ኢትዮጲያ ሓጊዝዎም እዩ። ስለዚ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ፍሉይ እዩ ክበሃል ይከኣል፡” ይብል ኣምባሳደር ባጫ። ኬንያ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ድሕሪ ምዃና፡ ምስ ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ዝዀነ ኣብ ጉዳያት ውትህድርናን ሰላምን ዘተኰረ ስምምዕ ከም ዝገበረት፡ ዓብዱላሂ ቦሩ ይገልጽ። ክልቲአን ሃገራት ነዚ ስምምዕ ዝተገደሳሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ክልቲአን ብወገን ሶማልያ ዝመጽእ ተመሳሳሊ ጸጥታዊ ስግኣት ስለዝነበረን እዩ። ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ኰይኑ ዝሰርሐን ኣብዚ እዋን ዳይሬክተር ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዘሎን ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፡ “ዝምድና ኢትዮጵያን ኬንያን ነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ እዩ፡” ይብል። ኢትዮጵያ ከም ሶማልያ፡ ኤርትራን ሱዳንን ምስ ዝበላ ጐረባብታ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ኲናት ኣትያ እያ። ኣብ 1977 መንግስቲ ዚያድ ባረ - ሶማልያ - ንኢትዮጵያ ኣብ ዝወረረሉ’ውን ኣብታ ሃገር ኣብ ኲናት ኣትያ እያ። ምስ ሱዳን’ውን፡ ሽሕ’ኳ መጠነ ሰፊሕ ዝዀነ ኲናት እንተዘይተላዕለ፡ ብጉዳይ ዶብን ብሰንኪ ግድብ ህዳሰን ብዝተፈጥረ ኵነታት መጠናዊ ዝዀነ ግጭታትን ምትፍናንን ኣሎ። ምስ ኤርትራ’ውን ድሕሪ እቲ ኣብ 1998 ዝተወልዐ ኲናት ዶብ ክሳዕ 2018 ኣብ ኲነተ ኲናት እያ ጸኒሓ። ኬንያን ኢትዮጵያን ግን፡ ሓሓሊፉ እቶም ኣብ ዶባት ዝነብሩ ሕብረተሰባት ዘካይድዎ ንኣሽቱ ግጭታት እንተዘይኰይኑ፡ ብደረጃ ሃገር ናብ ኲናት ኣትየን ከምዘይፈልጣ ኣምባሳደር ዲና የረድእ። ኣብ ኬንያ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኢትዮጵያ፡ ቀዳሞት ካብ ዝበሃሉ ኤምባሲታት ሓደ እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ንቤተመንግስቲ ኬንያ ዝቐረበ፡ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ጥራይ እዩ። እዚ ኸኣ ተሓሲቡ ዝተገብረ ምዃኑ ኣምባሳደር ዲና ይገልጽ። “ጆሞ ኬንያታ፡ ንስኻትኩም ካብዚ ክትርሕቁ የብልኩምን፡ ኣብዚ ኣብ ጥቓና ክትኰኑ ኣለኩም፡ ብምባል፡ ኣብ ጥቓ’ቲ ቤትመንግስቲ ንኤምባሲ ኢትዮጲያ ዝኸውን ቦታ ባዕሉ ሂቡና፡” ይብል። እዚ ጥራይ ዘይኰነ’ውን፡ መንበሪ ገዛ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ’ውን፡ ኣብ ቀጽሪ’ቲ ጥቓ ቤተመንግስቲ ዝርከብ ኤምባሲ እዩ። ኬንያ፡ ካብ መግዛእቲ እንግሊዝ ሓራ ካብ ዝዀነትሉ ኣትሒዙ ቀዳማይ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝዀነ ጆሞ ኬንያታ፡ ምስ ሃጸይ ሃይለስላሰ ቅርበትን ዕርክነትን ነይርዎም። ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ኣብ 1963 [ኣ.ኣ] ኣብ ዝተመስረተሉ እዋን፡ ግደን ኣበርክቶን እዞም ክልተ መራሕቲ መሰረታዊ እዩ ነይሩ። “ሃይለስላሰን ኬንያታን ጽቡቕ ዝምድና እዩ ነይርዎም፣ ብቐጻሊ ተራኺቦም ይመኻኸሩ። ድሕሪኦም ዝሰዓቡ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ድማ ክሳዕ ሕጂ ጽቡቕ ዝምድና እዩ ዘለዎም፡” ይብል እምባሳደር ዲና። ዊልያም ሩቶ ናብ ስልጣን ምምጻኡ ንኢትዮጵያ ከም ሓደ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ምዃኑ ዝግምግሙ ኣለው። ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝተፈጥረ ኲናት ብሰላም ንምዕራፉ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፡ ኡሁሩ ኬንያታ ብመንጐኝነት ክመርሖ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣይመርጽን። መንግስቲ፡ እቲ ድርድር ብሕብረት ኣፍሪቃ ክካየድ እዩ ዝደሊ። ሓይልታት ትግራይ ድማ፡ መንጐኝነት ኡሁሩ ኬንያታ ይመርጹ። ኢትዮጵያ ንመንጎኝነት ኬንያ ዘይምምራጻ፡ ከም መርኣያ ናይቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ኣሉታዊ ዝምድና ምዃኑ ዝገልጹ ኣለው። በዚ መሰረት ድማ፡ ምምጻእ ሓድሽ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ናብ ስልጣን ከም ጽቡቕ ዕድል ይቘጽርዎ። ፖለቲካዊ ተንታኒ ዓብዱላሂ ቦሩ ግን በዚ ሓሳብ ኣይሰማማዕን። “ፕረዚደንትነት ሩቶ፡ ኣብ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ዝዀነ ለውጢ ኣየምጽእን እዩ፡” ድሕሪ ምባል፡ “ “ፖሊሲ ዝምድናታት ወጻኢ ኬንያ፡ ሓደ ሰብ ፕረዚደንት ብምዃኑን ዘይምዃኑን ዝውሰን ኣይኰነን። ኬንያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሃገራት ኢዳ ኣይተእቱን እያ፡” ይብል። ኣተሓሒዙ ዓብዱላሂ፡ “ህወሓት፡ ኬንያ ናብ ዝዀነ ከምዘይተሻሩ ስለዝፈልጥ ኡሁሩ መሪጹ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ንሕብረት ኣፍሪቃ ከእምን ስለዝቐሎ፡ ንዕኡ መሪጹ፣ እምበር ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝዀነ ቍርቍስ ስለዘሎ ኰይኑ ኣይኰነን፡” ይብል። ኣምባሳደር ዲና ብወገኑ፡ ኢትዮጵያ እቲ ድርድር ሰላም ብሕብረት ኣፍሪቃ ክምራሕ ዝሓተተሉ ምኽንያት፡ እቲ ብኦባሳንጆ ዝተጀመረ ስራሕ ኣብ መፈጸምታኡ ንኽበጽሕ ጥራይ እዩ፤  ኡሁሩ ኬንያታ ከም ተወሳኺ ኰይኑ ክቐርብ ዝዀነ ጸገም ከም ዘይብላ ይዛረብ። ፕሮፌሰር ዩኒቨርስቲ ናይሮቢ ዝኾነ ፒተር ፓጉዋንጃ፡ ኬንያ ሓድሽ ፕረዚደንት ምርካባ ንኽልቲአን ሃገራት ዘምጽኦ ለውጢ ከምዘየለ ይዛረብ። ዊልያም ሩቶ ንዝሓለፈ “ዓሰርተ ዓመታት ምክትል ኡሁሩ ኮይኑ ብምግልጋሉ፡ ኣብ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ ዘምጽኦ ለውጢ ኣይክህሉን እዩ” ኢሉ። ኣብቲ ኣብ ኬንያ ክካየድ ዝጸንሐ ፕረዚደንታዊ መረጻ፡ ኡሁሩ ደጋፊ ‘ቲ ዝተሳዕረ ራይላ ኦዲንጋ እዩ ነይሩ። ዘይከምቲ ዝሓሰቦ ድማ፡ እቲ ምኽትሉ ኰይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐን፡ ካብዚ ቀረባ እዋናት ዝምድናኦም ዝሓርፈፈን ዊልያም ሩቶ እዩ ስልጣን ዝሕዝ ዘሎ። “ስለዚ ኦዲንጋ ኣብዚ ምርጫ ምስዓሩ፡ ምናልባት ንመንጐኝነት ኡሁሩ ክጸልዎ ይኽእል እዩ፡” ድሕሪ ምባል ዓብዱላሂ ቦሩ፡ “ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ኣብ ጉዳይ መንጐኝነት ኡሁሩ ሕቶ ክህልዎ ይኽእል እዩ፣ እንተዀነ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ብንቡር እዩ ዝኸይድ ዘሎ፡” ይብል። ድሕሪ ፕረዚደንታዊ መረጻ ዊልያም ሩቶ፡ ብቕጽበት መልእኽቲ ዮሃና ካብ ዝለኣኹ መራሕቲ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ እዩ። ነዚ ኣመልኪቱ ዓብዱላሂ ቦሩ፡ ጽቡቕ ዝምድና ኣብ ዘለወን ሃገራት ዝግበር እምበር ዝተፈልየ ትርጕም ከምዘይብሉ እዩ ይዛረብ። “እንተዀነ ግን ክልቲኦም ሰዓብቲ እምነት ፕሮቴስታንት ምዃኖም፡ ዝምድናኦም ዝያዳ ከደልድሉ ዕድል ከርሕወሎም እዩ፡” ይብል። “ኣብ መንጐ ክልቲኦም መራሕቲ ድልዱል ዝምድና እንተሃልዩ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሽምግልና ኬንያ ዝጸንሓ ጥርጣረ ከፍኵሶ ይኽእል እዩ፤ እዚ ድማ ንኢትዮጵያ ጽቡቕ ዕድል እዩ፡” ብምባል ዓብዱላሂ ወሲኹ የረድእ። ፕሮፌሰር ፒተር በዚ ሃሳብ ኣብ ርእሲ ምስምምዑ፡ ኬንያ ንሽምግልና ምችእቲ ምዃና’ውን ይውስኽ። “ኬንያ ኣባል ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስለዝዀነት፡ ዲፕሎማስያዊ ደገፍ ምዕራባውያን ስለዘለዋ፡ ነዚ ዘተ ሰላም ንምክያድ ብቕዕቲ እያ።” ኣምባሳደር ዲና ግን፡ “እዚ ጉዳይ ብኸምቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተጀመሮ በቲ ሕብረት ክውዳእ ኢና ንደሊ፤ ካብዚ ወጻኢ ግን ምስ ኬንያ ዝዀነ ጸገም የብልናን፡” ይብል። ፕሮፌሰር ፒተር፡ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት፡ ኣብ ኬንያ ይኵን ዊልያም ሩቶ እምነት ስለዘለዎም፡ ኬንያ ነዚ ሽምግልና ብመንጐኝነት ክትመርሖ ዓቕሚ ኣለዋ ይብል።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c04zpxnp7rvo"} {"headline":"መረጻ ኬንያ፡ ራይላ ኦዲንጋ ኣቕሪብዎ ዘሎ ሕጋዊ ኣቤቱታ እንታይ’ዩ?","content":"ኣብ ኬንያ ንፕረዚደንትነት ተወዳዲሩ ዝተሳዕረ ራይላ ኣሞሎ ኦዲንጋ፡ ነቲ ውጽኢት ብምንጻግ፡ ነቲ ዊልያም ሩቶ ተዓዊትሉ ዝተበሃለ መረጻ ብሕጊ ንምብዳህ፡ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ሰነዳት ኣደጊፉ ትማሊ ኣቤቱታ ኣቕሪቡ ኣሎ። በዚ መሰረት፡ ነቲ ራያላ ኣሞሎ ኣዲንጋ ኣቕሪብዎ ዘሎ ሰለስተ ሕጋዊ ነጥብታት ዳህሲስናዮ ኣለና። ሓደ ካብቲ ራይላ ኦዲንጋ ኣብ ኣቤቱታኡ ኣቕሪብዎ ዘሎ ነጥቢ፡ ንተራ ኣቦ ወንበር ኮሚሽን መረጻ እታ ሃገር ዋፉላ ቻቡካቲ ዝምልከት እዩ። ኮሚሽን መረጻ ኬንያ ብሸውዓተ ኮሚሽነራት ዝቘመ’ዩ። ውጽኢት ክንገር ሰዓታት ምስ ተፈፎ ኸኣ፡ ካብቶም ሸውዓተ ኮሚሽነራት፡ ምክትል ኣቦ ወንበር ትርከቦም ኣርባዕተ ኮሚሽነራት፡ እቲ ምቝጻርን ምጽራይን ድምጺ፡ ዘይንጹሩነት ነይርዎ’ዩ ብምባል ነቲ ምንጋር ውጽኢት ኢዶም ከምዘይሕውስሉ ዝገልጽ መግለጺ ሂቦም። ብወግዒ’ውን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቦ ወንበር ዘለዎም ተቓውሞ ኣስሚዖም። ነዚ ምርኩስ ብምግባር ኣቦ ወንበር ኮሚሽን መረጻ ኬንያ ዋፉላ ቻቡካቲ ምልኣት ኮሚሽነራት ኣብ ዘይብሉ ዊልያም ሩቶ’ዩ ተዓዊቱ ኢሉ ክእውጅ ከምዘይነበሮ’ዮም ጠበቓታት ራይላ ኣሞሎ ኦዶንጋ  ሓጋዊ ነጥቢ ዘቕርቡ ዘለዉ። እንተዀነ ንስልጣን ዋፉላ ቻቡካቲ ኣብ ዝምልከት ክልተ ዝተፈላለየ ሕጋዊ መግለጺ’ዩ ዝወሃብ ዘሎ። ገለ ክኢላታት ሕጊ፡ እቲ ውጽኢት ድሕሪ ምሃብ ድምጺ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልታት ክንግር ቅዋም ስለዘገድዶ ክነግር ግድን እዩ፣ ብመሰረት ቅዋም 'ታ ሃገር'ውን ስልጣን ኣለዎ ዝብሉ እዮም። ገለ ኸኣ፡ ቻቡካቲ ኵሎም እቶም ኮሚሽነራት ንዘጻረይዎ ድምጺ’ዩ ክእውጅ ስልጣን ዘለዎ ብምባል ዝማጐቱ ኣለዉ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ኸኣ፡ ነዚ ሕጋዊ ትርጕም ዝደሊ ስልጣን ኣቦ ወንበር ኮሚሽን መረጻ ኬንያ ዝምልከት ጉዳይ ደምዳሚ መልሲ ክህበሉ ትጽቢት ይግበር። ራይላ ኦዲንጋ ሓደ ካብቲ ኣቤቱታ ኣስሚዕሉ ዘሎ ነጥቢ፡ ካብ ዝተመዝገቡ ክንደይ ኣድሚጾም ኣብ ዝብል ብኣቦ ወንበር ኮሚሽን መረጻ ኬንያ ዋፉላ ቻቡካቲ ዝተወሃበ ሚእታዊት፡ ምስቶም ዘድመጹ ናይ ልዕሊ 250 ሽሕ ፍልልይ ኣለዎ ዝብል ነጥቢ’ዩ። ኣቦ ወንበር ኮሚሽን መረጻ ኬንያ ዋፉላ ቻቡካቲ፡ ካብቶም ከድምጹ ዝተመዝገቡ 65.4 ሚእታዊት ከምዘድመጹ’ዩ ሓቢሩ። ራይላ ኦዲንጋ ኸኣ፡ ካብቶም ተመዝጊቦም ዝነበሩ 65.4 እንተኣድሚጾም ቍጽሪ ኣድመጽቲ 14.5 ሚልዮን እዩ ክኸውን ዘለዎ እዩ ዝብል። እንተዀነ ቍጽሪ ናይቶም ንኣርባዕተ ሕጹያት ድምጾም ዝሃቡ ምስ ዝድመር ግን 14.2 ሚልዮን እዩ ዝኸውን [ዋላ እቲ ዝተሰረዘ ድምጽታት እንተተደሚሩ፡ 14.3 ሚልዮን እዩ ዝኸውን]። ጠበቓታት ራይላ ነዚ ብምጽብጻብ እቲ ኮሚሽነር ናይ ልዕሊ 250 ሽሕ ድምጺ ኣበይ ኣእትይዎ ብምባል’ዮም ኣእዳዎም ናብቲ ኣቦ ወንበር ዘወጣውጡ ዘለዉ። እዚ ብራይላን ጠበቓታቱን ቀሪቡ ዘሎ ቅማረ ቅኑዕ’ዩ፡ እንተዀነ ቻቡካቲ ኣብ መጀመርታ ደኣ ካብ ዝተመዝገቡ 65.4 ሚእታዊት’ዮም ኣድሚጾም ይበል’ምበር፡ ድሒሩ ግን ቍጽሪ ኣድመጽቲ 64.6 ሚእታዊት እዩ ኢሊ ኣሪምዎ’ዩ። እዚ ዳሕረዋይ ቍጽሪ ኸኣ ምስቲ ነቶም ኣርባዕተ ተወዳደርቲ ዝተወሃበን ዝተሰረዘን ድምጺ ማዕረ እዩ። ስለዚ ራያላ ኦዲንጋ፡ እቲ ኮሚሽነር ኣብ መጀመርታ ጌጋ ፈጺሙ ነይሩ’ዩ ዳሕራይ ግን የዐርይዎ ዝብል ምጕት’ዩ ከቕርብ ዝኽእል። ኣብ መወዳእታ ኵሉ ድምጺ ምስ ተቘጸረን ምስ ተጻረየን ከኣ፡ ካብቶም ዝተመዝገቡ 64.8 ሚእታዊት ከምዘድመጹ’ዩ ተገሊጹ። ኬንያውያን ኣብቲ ብ 9 ነሓሰ ዝተኻየደ መረጻ፡ ፕረዚደንት ጥራይ ኣይኰኑን መሪጾም። ማዕረ ማዕረኡ ኣመሓዳርቲ ዞባታት፡ ሰኔተራት፡ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ፡ ወኪልቲ ደቀንስትዮን ኣባላት ባይቶ ዞባን’ውን መሪጾም’ዮም። ዝያዳ ንምንጻሩ፡ ሓደ ኣድማጺ ሽዱሽተ ዝተፈላላየ ሕብሪ ዘለዎ ወረቐት እዩ ዝወሃቦ። ኣብቲ  ወረቐት ከኣ ሽምን ስእልን ተወዳደርቲ ኣለዎ። ንኣብነት፡ ንፕረዚደንትንት ዝወዳደሩ ኣርባዕተ ሕጹያት ነይሮም፡ እቲ ኣድማጺ ኸኣ ነቲ ክመርጾ ዝደለየ ሰብ ኣብታ ጥቃ ስእሉ ንዘላ ርቡዕ ኩርናዕ ብፒሮ ምልክት ብምግባር ኣብታ ሳንዱቕ ፕረዚደንት የእትዋ፡ ነቶም ንኻልኦት ጽፍሒታት ዝወዳደሩ ኸኣ ብተመሳሳሊ ከምኣ ይገብር። ኣብ መወዳእታ ኣብ ሽዱሽተ ሳንዱቕ፡ ማዕረ ክንዲ እቶም ዘድመጹ ወረቃቕቲ ይጸንሕ ማለት’ዩ። ኦዲንጋ ኸኣ፡ ኣብ ገለ ገለ ቦታታት ቍጽሪ ናይቲ ኣብ ዝተፈላላየ ሳንዱቕ [ሽዱሽተ] ዝተፈላለየ ቍጽሪ ይጸንሕ ምንባሩ’ዩ ዝገልጽ። ንኣብነት ኣብ ዞባ ኪሪንያጋ ንፕረዚደንትን ንኣመሓዳሪ ዞባን ኣብ ዝተወሃበ ድምጺ፡ ኣብቲ ንፕረዚደንት ዝተወሃበ ቁጽሪ ብ23 ሽሕ ጸብለል ኢሉ ምጽንሑ’ዩ ዝገልጽ። ኣብ ገለ ገለ ቦታታት’ውን ብኣንጻሩ ንፕረዚደንታት ዝተወሃበ ድምጺ ካብቲ ንኻልእ ጽፍሕታት ዝተወሃበ ድምጺ ውሒዱ ከምዝርአ’ውን ብምጥቃስ፡ “ብተግባር ዝኸውን ዘይመስል ፍጻመ’ዩ” ኢሎም ገሊጾሞ ኣለዉ። ኣብ ገለ ገለ ቦታታት ዝተሰረዘ ድምጽታት፡ ንኸምዚ ነገር ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ እሱራት ንፕረዚደንት ጥራይ ክመርጹ እዩ ዕድል ተዋሂብዎም፡ እንተዀነ ንሶም ቍጽሮም ውሑድ ስለዝዀነ ዓቢይ ፍልልይ ከምጽእ ዝኽእል ኣይኮነን። ጌጋታት ዝመስሉ ነገራት ክርኣዩ ይኽእሉ እዮም፡ እንተዀነ ካብ ኮሚሽን መረጻ ኬንያ ኵሉ ሰነዳት ስለዘይርከብ ኣብ ሕጂ ኴንካ ፍርዲ ክትህበሉ የጸግም’ዩ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c98jz9z2wqno"} {"headline":"ኣምባሳደር ባጫ ደበሌ፡ ብዛዕባ ዳግማይ ምውላዕ ኲናት እንታይ ኢሉ?","content":"ጀነራል ባጫ ደበሌ፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበረን፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ኰይኑ ዘገልግል ዘሎን'ዩ። ኲናት ትግራይ፡ ጥቅምቲ 28 ምስ ተወልዐ፡ ንሰራዊት መንግስቲ ብምውካል ብዛዕባ'ቲ ኲናት ሓበሬታ ዝህብ ዝነበረ ሓደ ካብ ቀንዲ ገጻት ምንባሩ ይዝከር። ንሱ፡ ብዛዕባ ዳግማይ ምውላዕ ውግእን ተኽእሎታት ሰላምን ብዝምልከት ምስ ቢቢሲ ኣምሓርኛ ቃለመሐትት ኣካይዱ ነይሩ። መራሒ ትግራይ፡ ዶ\/ር ደብረጽዮን ገ\/ሚካኤል፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ዓለምን፡ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ምስ ተወከልቲ መንግስቲ ብምስጢር ተላዚብና ኢሉ ነይሩ። ቢቢሲ፡ “እዚ ሓቂ ድዩ? ከምኡ እንተዀይኑ ኣበይ’ዩ ተኻይዱ? በዓል መን ተራኺቦም?” ዝብል ሕቶ ንኣምባሰደር ባጫ ኣቕሪብሉ። ኣምባሳደር ባጫ፡ “እዚ ብምስጢር ተራኺቦም ዝበሃል ነገር ኣይፈልጥን። ህወሓት ዝዛረቦ ነገር ብሒሳብ እዩ። ሓደን ሓደን ክልተ እዩ ይብል። እንተደልዩ ድማ ሓደ ሽሕ እዩ ይብል። ስለዚ ህወሓት ንፖለቲካዊ ረብሓኡ ክብል ዝደለዮ ነገር እዩ ዝብል። ብምስጢር ዝተራኸበሉ ኵነታት’ውን ኣይፈልጥን፤ እቲ ካልኣይ ድማ ቦታኡ’ውን ኣይፈልጥን” ዝብል ምላሽ ሂቡ። ዶ\/ር ደብረጽዮን ኣብቲ ዝዘርግሖ ደብዳበ፡ እቶም ላዕለዎት ተዛተይቲ ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ ጅቡትን ሲሸልስን ከምዘተራኸቡ እዩ ዝገልጽ። ጀነራል ባጫ ግን፡ “ብምስጢር ዝራኸብሉ ዝዀነ ምኽንያት የለን። ምኽንያቱ ብግልጺ ድርድር የድሊ እዩ ተባሂሉ ኮሚቴ ቈይሙ እንከሎ፡ ብሕቡእ ዝካየደሉ ምኽንያት ዘሎ ኣይመስለንን፡” ይብል። “መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘እዚ ዳግማይ ዝተወልዐ ኵናት ሓይልታት ትግራይ’ዮም ጀሚረምዎ’ ኢሉ ይኸስስ። እንታይ መረዳእታ ኣለኩም? ንዝብል ሕቶ እንክምልስ ድማ፡ “ህወሓት፡ ንቆቦ ሒዘ ኢሉ ክእውጅ እንከሎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኵናት ከም ዘይጀመሮ ምፍላጥ ይከኣል። ‘ኣብ ልዕለይ ኵናት ተኸፊቱ’ ዝብል ሓይሊ በየናይ ጻት እዩ ንሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ንዋጃ ኣብ ቅድሚኡ ገይሩ ንዝከላኸል ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ካብ ቆቦ ንጸጋም ከኣ ንእምባ ዞብል መሰረት ገይሩ ዝከላኸል ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሓደ ግዜ ደርሚሱ ንቆቦ ዝሕዘሉ ተኣምራዊ ሓይሊ ዝህልዎ” ክብል ይሓትት። ጀነራል ባጫ ወሲኹ፡ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ መጥቃዕቲ እንተ ዝጅምር ነይሩ፡ ህወሓት ንቆቦ ክሕዝ ኣይክእልን። ምኽንያቱ ሓደ ሰብ፡ ክልተ ሰብ ሰለስተ ሰብ ኣይኰነን ዝልእኽ። ብመሰረት ሕጊ ውግእ፡ ንሓደ ጸላኢ ክተጥቅዕ ከለኻ ልዕልና ሓይሊ ክህልወካ ይግባእ። ንሕና ክነጥቅዕ እንተንደሊ ነይርና እኮ፡ በቲ ከባቢ ልዕልና ሓይሊ ፈጢርና ኢና ንኣቱ፡” ኢሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና፡ ኣብ ከተማ ውግእ ንዘይምክያድ ሰራዊቱ ካብ ቆቦ ከምዝሰሐበ እዩ ዝገልጽ። በቲ ከባቢ ሓይልታት ትግራይ፡ ልዕሊ ሽዱሽተ ኣርሚ ከምዘሰለፉ ዝግምት ጀነራል ባጫ፡ \"ልዕለና ጸብለልታ ሓይሊ ነይርዎም” ኢሉ። ኣምባሳደር ባጫ፡ “ንሕና ኣየጥቃዕናን። ንሕና እንተነጥቅዕ ነይርና፡ ከምቲ ካብ ደብረሲና ዘውጻእናዮም፡ ኣብዚ’ውን ከምኡ ኢና ክንገብር ነይርና። ስለዚ ወያነ ባዕሉ ኣጥቂዑ፡ ባዕሉ ተጠቒዐ ኢሉ።” ምኽንያቱ እንከረድእ፡ በረኽቲ ዝዀኑ መሬታት ኣብ ፊት ንፊት ከምዘለዉ ብምጥቃስ፡ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝፈጥሮ ጉድኣት ከቢድ ስለ ዝኸውን ኣይንመርጾን' ዝብል እዩ። ሓይልታት ትግራይ ግን፡ ቀዲሞም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ብወገን ደቡብ ትግራይ፡ ካብ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞም ምኽሳሶም ዝዝከር እዩ። ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት፡ ንዘተ ሰላም ቅሩባት ምዃኖም ከርእዩ'ኳ እንተፈተኑ፡ ኣብቲ ተዛማዲ ህድኣት ዓሲልዎ ዝነበረ፡ ንልዕሊ ሓሙሽተ ወርሒ ዝተገብረ ጻዕሪ ውጽኢት ከየፍረየ ዝተረፈ ይመስል። ጀነራል ባጫ፡ ንህወሓት እዩ ዝኸስስ። ንሱ፡ “ኵሉ ግዜ ናብ ልዝብ ምስ ዝእቶ፡ [ህወሓት] ዘዐንቅፍ ቅድመ ኵነት የምጽእ” ብምባል እቲ ልዝብ ብሰንኪ መራሕቲ ትግራይ ከምዝተዓናቐፈን ዕጥቂ ክፈትሑ ከምዘይደልዩን ከሲሱ። 'ኣብ ትግራይ ዝተቋረጹ መንግስታዊ ኣገልግሎት ቀዲሞም ናብ ንቡር ይመለሱ' ዝብል፡ ካብ መራሕቲ ትግራይ ዝቐርብ ጠለብ ነይሩ። መንግስቲ ግን፡ ቅድሚ ከምኡ ምግባሩ ልዝብ ክቕድም ይደሊ። እቲ ኣምባሳደር እዚ ብዝምልከት ተሓቲቱ፡ ንትግራይ ማይን ኤሌትሪክን ምእታው ሓላፍነት መንግስቲ ምዃኑ ብምእማን፡ “ከምዚ ዓይነት ኵናት ኣዊጅካ ግን፡ ኣየናይ ኣገልግሎት ባንክ ኢኻ ትኸፍት? ሰራሕተኛታት ቴሌኮም ዲኻ ናብኡ ክትልእኽ? ሰራሕተኛታት ሓይሊ መብራህትን ማይን ክትልእኽ ?\" ክብል ስግኣት ድሕነት ከምዘሎ ሓቢሩ። ቅድሚ ሕጂ ሰራሕተኛታት ፌዴራል ተቐቲሎም'ዮም ክብል ድማ ይኸስስ። ዶ\/ር ደብረጽዮን ገ\/ሚካኤል፡ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ መቐለ ገይሹ ዝነበረ ጕጅለ ልኡኻት ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኣቢሉ፡ “ነቶም ዝተቛረጹ ኣገልግሎት ንምምምላስ ዝለኣኹ ሰራሕተኛታት ውሕስነትን ድሕነትን ዝህብ” ደብዳበ፡ ልኢኹ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። እቲ ጕጅለ፡ ናይ መቐለ ጻንሒቱ ዛዚሙ ኣብ ዝተመልሰሉ፡ ኣብ ዘውጸኦ ሓበራዊ መግለጺ፡ እቶም መሰረታዊ ኣገልግሎታት ብህጹጽ ናብ ንቡር ክምለሱ ዝብል ዝርከቦ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብመንግስቲ ብጽቡቕ ኣይተራእየን። እቲ ጀነራል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ኣምባሳደር ኤርትራ በየነ ርእሶም ኣብ ናይሮቢ ከምዝተዘራረበ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሑ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ድማ ሓይልታት ትግራይ፡ “ሰራዊት ኢትዮጵያን ሰራዊት ኤርትራን ሓበራዊ መጥቃዕቲ ከፊቶም\" ዝብል ክሲ ኣቕሪቦም ኣለዉ፣ እዚ ብዝምልከት ሕቶ ኣምባሳደር ባጫ፣ “ኣነ ንኤርትራ ዘሳተፈ መጥቃዕቲ ኣይፈልጥን። ህዝቢ ኤርትራ ንርእሱ ናይ ምክልኻል መሰል ኣለዎ። [እንተኾነ] መንግስቲ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ፈጺምዎ ብዛዕባ ዝበሃል ምትሕብባር ንምርኣይ ኣይኰንኩን ምስቲ ኣምባሳደር ተራኺበ” ዝብል ምላሽ ሂቡ። “ኣምባሳደር ኤርትራ በየነ ርእሶም፡ ኣብዛ ሃገር ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ዲን ኣምባሳደራት ኣፍሪቃ እዩ። ከምኡ ስለዝዀነ ኸኣ ፈላማይ ‘ከርተሲ ኮል’ (ምልላይ) ምስኡ’ዩ ዝግበር፡\" ብምባል፡ ምስ ካልኦት ኣምባሳደራት ሃገራት ኣፍሪቃ ብተመሳሳሊ ክራኸብ ምዃኑ ይሕብር። ስለዚ እዚ ኣጋጣሚ ስለዝዀነ ናብኡ እንተ ዘይትርጐም፡ ዝብል ርእይቶ ኣለዎ። “ንኢትዮጵያ ምግልጋል ዲሞሽን ኣይኰነን” ዝብል ኣምባሳደር ባጫ፡ ከም ሓደ ወተሃደር ኰይኑ ከገልግል ከምዝኽእል'ውን ይዛረብ። “ሕጂ’ውን ኢትዮጵያ ኣብ ጭንቀት እያ ዘላ። ንሕና ንሰርሐሉ፡ ናትና ምቾት ደሊና፡ ኣብዚ ክንሰርሕ ኣለና ኢልና ንመርጸሉ ግዜ ኣይኰነን። ሕጂ’ውን ኣብዚ ኣቲኻ ኣገልግል እንተተባሂለ፡ ኣይኰነን’ዶ ኣምባሳደር፡ ተራ ዋርድያ ኰይነ ንኢትዮጵያ ከገልግል’የ፡\" ዝብል ምላሽ ሂቡ። ወሲኹ ድማ፡ “. . . ኣነ እንከለኹ’ዮም መናእሰይ ዝውድኡ ዘለዉ። ስለዚ ሃገርና ኣብ ከምዚ ዓይነት ኵነታት እንከላ፡ 'ኣብዚ ኣይሰርሕን፣ ትሕቲ ናተይ ብቕዓት’ዩ፣ ኣነ ከምዚ ዓይነት ሰብ’የ እሞ፡ ኣብዚ ኣይሰርሕን' ዝበሃለሉ እዋን ኣይኰነን” ኢሉ። “ስለዚ ኣነ ኣብ ዝተመደብኩሉ ቦታ ሕጕስ እየ። ብጣዕሚ ዝገርም፡ ኣብዚ ዓዲ ዓቢይ ስራሕ’ዩ ዘሎ። ሕጂ ንዓኹም እዚ እዚ’ዩ ኢለ ኣይነግረኩምን። እንተዀነ፡ ኣነ ካብቲ ኣብኡ ዝተሰለፈ ሰራዊት ብዘይነኣኣስ ዝሰርሐሉ ዓቢይ ግንባር’ዩ። ስለዚ ብሓጐስ ክሰርሕ’የ፡ ንሃገረይ ከገልግል’የ።” ቅድም ክብል፡ ኣብቲ ኲናት ብዝነበሮ ተራን ዘስመዖም መደረታትን፡ ስሙ ብሕማቕን ጽቡቕን ዝለዓል እቲ ጀነራል፡ እዚ ሕጂ ተጀሚሩ ዘሎ ጎንጺ ብዝምልከት ዝፈጠረሉ ስምዒት ተሓቲቱ ድማ፡ “ኣብ ግንባር ብዘይ ምንባረይ ሓዚነ” ዝብል ምላሽ ሂቡ። ንሱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ብኣሸሓት ዝቝጸሩ ምሩኻት ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጐደናታት መቐለ ምስ ተርአዩ፡ \"ካብ ናይ ሃይለ ገብረስላሴ ናይ 'ዓቢ ጉያ' ኣሳእል ፎቶ ሾፕ ዝተገብሩ እዮም' ኢሉ ምንባሩ ይዝከር። ህይወት ታሪኹ ከምዝሕብሮ፡ ንሱ ኣባል ሰራዊት ደርግ ዝነበረ ዀይኑ፡ ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ፡ ብህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተመሪኹ ንዝተወሰነ እዋን ምስ ጸንሐ፡ ምስ ህወሓት ብዝተገብረ ምይይጥ ካብቶም ናብ ትግራይ\/ኢትዮጵያ ክመጽኡ ዝተገብሩ ምሩኻት ሓደ እዩ። ኣብቲ ቃልሲ ክቕጽል ከም ዝወሰነ ዝገልጹ ገለ ተጋደልቲ ህወሓት፡ ኣብ መፋርቕ 1970ታት ፈለማ ኣባል ክፍሊ ኪነት ኢህዴን [ ደሓር ብኣዴን] ኰይኑ ምስርሑ ይዝክሩ። ባጫ ደበሌ፡ ኢህወዴግ\/ህወሓት ኣንጻር ደርግ ኣብ ዘካየዶ ብረታዊ ቃልሲ ተሰሊፉ፤ ድሕሪ ውድቀት ደርግ ድማ፡ ኣባል ሰራዊት ኢትዮጵያ ዀይኑ፡ ኣባል ኣመራርሓ ምብራቕ እዚ ብምዃን ክሳብ መዓርግ ሌተናል ጀነራል፡ ኣብ ዝለዓለ ወተሃደራዊ ጠርዚ ሓላፍነት ነይሩ። ኣብ መወዳእታ፡ ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብጥሮታ ተሰናቢቱ፣ ኲናት ትግራይ ኣብ ዝጀመረሉ፡ ካብቶም ብመንግስቲ ጻውዒት ዝተገበረሎም ነባራት ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሓደ እዩ። ኣብ እዋን ምጅማር'ቲ ኲናት፡ ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላት እዚ ሰሜን ተፈጺሙ ኢሉ ዘስመዖ ‘መስካሕክሒ ገበናት’ ኣዘራራቢ ኮይኑ ነይሩ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw4ggjvj07eo"} {"headline":"ዊልያም ሩቶ፡ መረጻ ኬንያ ንምዕዋት ዝሰገሮም ብድሆታት","content":"ልዑል ወጻኢታት ዝተገብሮን ሓያል ንሕንሕ ዝተራእዮን መረጻ ኬንያ፡ ትማሊ ብዓወት ምኽትል ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ከም ዝተዛዘመ ኮሚሽን መረጻ እታ ሃገር ኣፍሊጡ ኣሎ። ሩቶ፡ ብጸቢብ ፍልልይ ክዕወት እንከሎ፡ ኣርባዕተ ካብቶም ሸውዓተ ኣባላት እቲ ኮሚሽን እቲ ውጽኢት ምትላል ከም ዝተፈጸሞ ብምግላጽ ኣይንቕበሎን ኢሎም። ሓላፊ እቲ ኮሚሽን ዋፉላ ቸቡካቲ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ውጽኢት ክነግር ምዃኑ ምስ ተፈልጠ፡ ኣብቲ ውጽኢት ዝተነግረሉ ኣዳራሽ - ቦማስ፡ ንሒደት ደቓይቕ ዝጸንሐ እምባጋሮ ተላዒሉ ነይሩ። ተዓዋቲ መረጻ ክነገር’ዩ ካብ ዝተባህለሉ ሰለስተ ሰዓታት ድሒሩ ዝመጽአ ቸቡካቲ፡ ሩቶ ዕውት ፕረዚደንት ከም ዝዀነን ናጻን ፍትሓውን መረጻ ከም ዝተኻየደን ሓቢሩ። እቶም ውጽኢታት መረጻ፡ ሩቶ ቀንዲ ተነሓናሒኡ ራይላ ኦዲንጋ ክዕወተሎም ትጽቢት ዝግበሩ ከባቢታት እንከይተረፈ ከም ዝተዓወተ የርእዩ። ማእከል ስሕበት ፖለቲካ እዛ ሃገር ኣብ ዝዀነ ሕዛእቲ ሕጽይቲ ምኽትል ፕረዚደንት ራይላ ዝዀነት ማርታ ካርዋን ተሰናባቲ ፕረዚደንት ኡህሩ ኬንያታን ኣብ ዝዀነ ማውንት ኬንያ’ውን ተዓዊቱ እዩ። እዚ፡ ንጠቕላላ ውጽኢት እቲ መረጻ ብምቕያር ዓወት ናብ ሩቶ ገጽ ከቕንዕ ሓጊዙ እዩ። ንሱ፡ ‘ሃስለር’ ክብል እዩ ንባዕሉ ዝጽውዕ። ንዘመናት ንፖለቲካዊ ስርወ ንግስና ኬንያ ተቘጻጺሮም ዝጸንሑ [እንዳ ኦዲንጋን እንዳ ኬንያታን] ዓበይቲ ፖለቲከኛታት ንብሕቱ ከም ዝተቓለሶም ይዛረብ። እዚ ከኣ ብብዙሓት መናእሰይ ኬንያ ተቐባልነት ክረክብ ኣኽኢልዎ። ወዲ 55 ዓመት ዊልያል ሩቶ፡ ኣብዚ መረጻ ንፈለማ እዋን ንፕረዚደንትነት ክነሓናሕ እንከሎ ምስቲ ምሉእ ድጋፍ ፕረዚደንት ኬንያታ ዝነበሮን ናይ ነዊሕ እዋን መራሒ ሰልፊ ተቓዋሚን ራይላ ኦዲንጋ እዩ ተወዳዲሩ። ሕጂ እቲ ፕረዚደንት ስምዒቱ ውሕጥ ኣቢሉ ኣብ እዋን ጐስጓስ መረጻ “ዘይእመን” ንዝበሎ ምኽትሉ ስልጣኑ ከረክብ’ዩ። እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ከምቲ ደገፍቲ ኦዲንጋ ኣብቲ መረጻ ምትላል ተፈጺሙ’ዩ ዝብሉዎ ዘለዉ ዘይኰነስ፡ እቲ ውጽኢት መረጻ ቅኑዕ ዝዀነሉ ተኽእሎ ኣሎ። እዚ መርገጽ'ዚ፡ ብኣብዝሓ ኣባላት እቲ ኮሚሽን እቲ ውጽኢት “ሓላፍነት ኣይንወስደሉን” ብምባል ድጋፍ ዝረኸቡሉ ክመስል እንከሎ፡ ቸቡካቲ ግን እቲ ውጽኢት መረጻ ድልየት ኬንያውያን ዘንጻባረቐ እዩ ኢሉ። “ምፍርራሕን ምንግልታዕን እናወረደኒ፡ ኣብ ቅድመኹም ደው ኢለ ኣለኹ። ኣነ ብመሰረት ሕጊ እዛ ሃገር ግቡአይ ፈጺመ’የ” ኢሉ። ሩቶ ብጸቢብ ፍልልይ ከም ዝተዓወተ ምንም ጥርጥር የለን፤ እቲ ኣብ ሞንጐ ኣባላት ኮሚሽን መረጻ ዘጋጠመ ምክፍፋል ድማ መርኣያ ኣብታ ሃገር ዘሎ ምክፍፋል እዩ። ስለ ዝዀነ ድማ፡ ሩቶ ዘቝሞ መንግስቲ እታ ሃገር ናብ ሓድነት ከምጽኣ ድዩ ዝብል ዝውስን ክኸውን እዩ። ዓሌታውነት ኣብ ፖለቲካ ኬንያ ዓቢይ ተራ ዘለዎ ጉዳይ እዩ። ካብዚ ብዝብገስ ሩቶ መንግስቱ ወኪላት ቀንዲ ዓሌት እዛ ሃገር ዝዀኑ ዘማእከለ ክኸውን ክገብር ኣለዎ፤ ብፍላይ ኣብቲ ኦዲንጋ ዝውለደሉ ማሕበረሰብ ሉዎ። ኣብ ታሪኽ ኬንያ፡ ካብ ሉዎ ዝውለድ ውልቀሰብ ፕረዚደንት ኰይኑ ኣይፈልጥን። እዚ ሕብረተሰብ ከኣ ማዕረ ተጠቃሚ ኣይኰንኩን ዝብል ቅሬታ ስለ ዘለዎ፡ ተወላዲ ብሄር ካሊንጂ ዝዀነ ሩቶ፡ ዕውት ፕረዚደንት መረጻ ምዃኑ ምስተነግረ ተቘጢዑ እዩ። ሩቶ፡ ውጽኢት እቲ መረጻ ምስ ተቐበለ ወረጃ መደረ’ዩ ኣስሚዑ። ምስ “ኵሎም መራሕቲ” ክሰርሕ’የ፣ እዛ ሃገር “ውህድትን ብልጽግትን” ክትከውን ንምርግጋጽ ክሰርሕ እየ ኢሉ። ውጽኢት መረጻ ወግዓዊ ቅድሚ ምዃኑ፡ ንመነሓንሕቱ ራይላ ኦዲንጋ ከም ዝረኸቦን፡ እቲ ውጽኢት ዝዀነ እንተዀነ ክዘራረቡ ከም ዘለዎም ከም ዝሓበሮን’ውን ገሊጹ። ክሳብ ሕጂ ኦዲንጋ ዝሃቦ ቃል የለን። ግን ከኣ ኣብቲ ወግዓዊ ውጽኢት መረጻ ዝተነግረሉ ኣዳራሽ ኣይተሳተፈን። እቲ ውጽኢት መረጻ፡ ከምቲ ናይ ዝሓለፈ እዋን ናብ ቤት ፍርዲ ወሲዱ ክካትዓሉ ድዩ ዝብል’ውን ኣይተፈልጠን ዘሎ። ኦዲንጋ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ መረጻታት ተወዳዲሩ ኣይሰለጦን። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት መረጻ ኣብ ዘካየዶ ጐስጓስ ድጋፍ ፕረዚደንት ኬንያታ ዝተሓወሶ ስለ ዝነበረ ኰን’ዶ ዀን ይዕወት ዝብል ግምታት ነይሩ’ዩ። ኬንያታ፡ ኣብዚ መረጻ ንሩቶ ንምድጋፍ ዝኣተዎ ቃል ብምፍራስ እዩ ልፍንቱ ናብ ኦዲንጋ ኣዚሩ ጸኒሑ። እቲ ምኽትሉ ነዚ፡ ምስ ሓደ መራሒ መኪና ኣብ ስራሕ ተጸሚዱ እንከሎ፡ ኣብ ጐድኑ ኰፍ ኢሉ ነገራት እናውጽአ ምስ ዝድርቢ ውልቀሰብ እዩ ኣነጻጺርዎ። ኬንያታ ግን፡ “ኵርኵር ፕረዚደንት” ስለ ዝደለየ ንኦዲንጋ ይጕስጉስ ነይሩ ተባሂሉ ይንቀፍ። ወዲ 77 ዓመት ኦዲንጋ፡ ኣብ 2027 ንሻድሻይ ግዜ ክወዳደር ድዩ ዝብል ግን ሕጂ’ውን ኣይተፈልጠን። ኣብዛ ሃገር ኣለው ካብ ዝበሃሉ ሓረስቶት ዕፉን ሓደ ዝዀነ ሩቶ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝገበሮ ውድድር እዩ ተዓዊቱ ዘሎ። ኣብ ኬንያ ኸኣ፡ ካልኣይ ብዕድመ ዝነኣሰ ፕረዚደንት ኰይኑ ኣሎ፤ ተሰናባቲ ፕረዚደንት ኬንያታ ብ2013 ናብ ስልጣን ክመጽእ እንከሎ ወዲ 50 ዓመት'ዩ ነይሩ። ሩቶ፡ ሓያል መዳሪ’ዩ፤ ቅድሚ 20 ዓመት ኣብ ፖለቲካ ክኣቱ እንከሎ መራሒ ክንፊ መናእሰይ እቲ ገዛኢ ሰልፊ'ዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ኣብ ዝካየዱ ዝነበሩ ጐስጓሳት መረጻ ኸኣ ሰፊሕ ህዝቢ ናይ ምእካብ ተኽእሎ ነይርዎ። ከም ውጽኢቱ፡ ንኦዲንጋ ይድግፋ እየን ኣብ ዝበሃላ ከባቢታት ምዕራብን ሰሜን ምብራቕን እታ ሃገር ልዑል ድምጺ ክረክብ ክኢሉ ኣሎ። ካልእ እዚ ዓወት ፍሉይ ዝገብሮ፡ ዝበዝሐ መረጽቲ ዝርከብሉ ማሕበረሰብ ኵኪዩ [ፕረዚደንት ኬንያታ ዝመጽኣሉ] ዝነብሩሉ ማውንት ኬንያ ከይተረፈ ምስዓሩ’ዩ። ብተወሳኺ፡ ሰልፊ ሩቶ ዝበዝሐ ወንበር ባይቶ፡ ሰኔትን ስልጣን ኣመሓደርትን ተዓዊቱ ኣሎ። ኣብቲ ፕረዚደንታዊ መረጻ፡ ካርዋን ኬንያታን ኣብ ዝመረጹሎም ዞባታት ከይተረፈ ንኦዲንጋ በሊጹዎ እዩ። ቅድሚ እቲ መረጻ ርእይቶኦም ንቢቢሲ ዝሃቡ ደገፍቲ ሩቶ ዝዀኑ ነበርቲ ማውንት ኬንያ፡ ሩቶ ብ2013 ንወዶም ኬንያታ ንዘርኣዮ ድጋፍ ዓስቡ ከም ዝኸፍሉዎ ገሊጾም ነይሮም። ኣቦ መንበር ማሕበር ዓበይቲ ዓዲ ዝዀነ ወዲ ሓው ንኣቦ ኬንያታ’ውን ንሩቶ ከም ዝድግፉ ተዛሪቡ’ዩ። ሩቶ፡ ንመናእሰይ ኣብ ዝኣተዎ ቃል፡ ድኻታት ንኽረብሑ እቲ ቍጠባ “ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ” ዝጥምት ክኸውን ከም ዝገብር ተመባጺዑ ነይሩ። ሕጂ መብጽዓታቱ ተግባራዊ ክገብር ትጽቢት ይግበር። ኣብዛ ሃገር፡ ዕድሚኦም ካብ 18 ክሳብ 34 ዓመት ዝዀኑ ኣስታት 40 ሚእታዊት ዜጋታት ስራሕ የብሎምን። እቲ ቝጠባ እውን እንተዀነ፡ ነቶም ዓመታዊ ዝምረቝን ናብ ስራሕ ክኣትው ትጽቢት ዝግበሩን 800 ሽሕ መናእሰይ ስራሕ ዝፈጥር ኣይኰነን ዘሎ። እዚኦም ዓበይቲ ብድሆታት እዚ ሓድሽ ፕረዚደንት እዮም።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c98j32gqv2xo"} {"headline":"ሓድሽ ፕረዚደንት ኬንያ ንኡሁሩ ኬንያታ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ብዝርርብ ክፈትሕ መዚዙዎ","content":"ሓድሽ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ነቲ ዕድመ ስልጣኑ ዘብቅዐ ፕረዚደንት ነበር ኡሁሩ ኬንያታ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምምፃእ ክገብሮ ዝጸንሐ ፃዕሪ ክቕጽለሉ ከምዝዀነ ገሊጹ። ዊልያም ሩቶ ሎሚ ሓሙሻይ ፕረዚደንት እታ ሃገር ብምዃን ቃለ መሓላ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ኣብ ዘስመዖ መደረ'ዩ ነዚ ዝገለጸ። ሩቶ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ኬንያታ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ዞባ ዓበይቲ ቀላያትን ሰላም ንምምፃእ ዝነኣድ ስራሕ ሰሪሑ ክብል ንኢዱ። እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት፡ \"ኣብ ኢትዮጵያን ዞባ ዓበይቲ ቀላያትን ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ሰላም፡ ንምሕያል ቃል ኣትየ ኣለኹ\" ኢሉ። እቲ ፕረዚደንት ነበር ሰላም ንምምፃእ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ክቕፅል ከምዝተሰማምዑ እውን ገሊጹ። ዳርጋ ክልተ ዓመት ዝመልኦ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ንምፍታሕ ምስ ዝግበሩ ፈተነታት ልዝብ ተዛሚዱ ፡ ስም ኡሁሩ ኬንያታ ብተደጋጋሚ ክለዓል ጸኒሑ'ዩ። ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ርግእቲ ሃገር ተባሂላ ትጥቀስ ኬንያ፡ ምስ ኢትዮጵያ ጥቡቕ ዝምድና ከምዘለዋ ዝዝረብ ኮይኑ፡ ኬንያታ ኲናት ትግራይ ድሕሪ ምጅማሩ ብተደጋጋሚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝገሸ ይዝከር። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ነቲ ደማዊ ኲናት ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምርካብ ክጽዕር ከም ዝጸንሐ ይዝረብ። ብፍላይ ሓይልታት ትግራይ፡ ምስ መንግስቲ ኣብ ዘካየድዎ ልዝብ፡ ኣብ ክንዲ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ እቲ ሎሚ ስልጣን ዘረከበ ኡሁሩ ክኣልዮም፡ ብተደጋገሚ ሓቲቶም እዮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣንፃሩ: ሕብረት ኣፍሪካ ቀዳማይ ሸምጋሊ ክኸውን መርገፂኡ ኣፍሊጡ እዩ። ቅድሚ ሒደት መዓልታት ግን፡ መራሕቲ ትግራይ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት-ሕብረት ኣፍሪካ ንምልዛብ ድልዋት ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ። እንተዀነ፡ ሕዚ’ውን እቲ ልዝብ፡  ብፕረዚደንት ነበር ናይጀርያ ኦለሰጉን ኦባሳንጆ፡ ክእለ ከምዘይደልዩ ኣነጺሮም ኣለዉ። ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ንኣዋርሕ ሃዲኡ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ከም ብሓድሽ ደጊስዎ ኣሎ። ኬንያታ ብዘይካ ኢትዮጵያ፡ ንዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ ብሩንዲ፣ ሩዋንዳን ኡጋንዳን ዘጠቓለለ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ንዘጋጥም ጸገም ጸጥታን መፍትሒ ኣብ ምርካብ ሓያል ኣበርክቶ ክገብር ጸኒሑ’ዩ። ዝምድናኡ ጋንዳን ሩዋንዳን ተበላሽዩ ይርከብ። ቅድሚ ሒደት ዓመታት፡ መንግስቲ ሙሰቨኒ ኣብ ሩዋንዳ፡ ንፖል ካጋሜ ካብ ስልጣን ክወርድ ንዝደሊ ዕጡቕ ጉጅለ ይድግፍ ኣሎ ብምባሉ ዶብ ተዓጽዩ ነይሩ። እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት፡ ምስቲ ሎሚ ፕረዚደንትነቱ ዘረከበ ኡሁሩ ኬንያታ ዘተ ከም ዘካየደ ዝገለጸ ዊልያም ሩቶ፡ ኬንያታ ነቲ ዝጀመሮ ናይ ሰላም ጻዕሪ ንምቕጻል ድልውነቱ ከምዘረጋገጸሉ ኣመልኪቱ። ሓድሽ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፡ ሎሚ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ \"ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ፡ ንህዝቢ ኬንያ ወኪሉ ነቶም ዝርርባት ክመርሕ ተሰማሚዑ ኣሎ። ክትሕግዘኒን ክትድግፈኒን ስለ ዝፈቐድካ፡ የቐንየለይ\" ኢልዎ። ኣብ በዓለ ሲመት ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ሓዊሱ መራሕቲ ዓበይቲ ቃላያት ተረኺቦም እዮም። እዚ ወዲ 55 ዓመት ሓድሽ ፕረዚደንት፡ ንዝሓለፉ ዓመታት ምክትል ፕረዚደንት ኬንያ ኮይኑ ክመርሕ ጸኒሑ'ዩ። ሩቶ፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣብ ዝተኻየደ መረጻ፡ ንመወዳድርቱ ራይላ ኦዲንጋ ብጸቢብ ድምጺ ድሕሪ ምስዓሩ ተዓዋቲ ኮይኑ ወጺኡ። ፕረዚደንት ሩቶ፡ ኣብቲ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝጸደቐ ምርጫ፡ ብ50.5 ሚእታዊት ድምጺ ክዕወት እንከለዉ፡ መወዳድርቱ ራይላ ኦዲንጋ ድማ 48.8 ሚእታዊት ድምጺ ረኺቡ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72z17j7pl0o"} {"headline":"ብዛዕባ እቲ ዳግም ዝተወልዐ ኲናትን ጻውዒት ሰላምን ትግራይ ክሳብ ሕጂ ዘለው ምዕባለታት","content":"እቲ ክልተ ዓመት ክመልኦ ሓደ ወርሒ ተሪፉዎ ዘሎ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 18 ነሓሰ 2014 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ዳግም ድሕሪ ምውልዑ እቲ ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ምቁራጽ ተጻብኦ ክፈሽል ምኽንያት ኰይኑ’ዩ። ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ንምጅማር እቲ ኲናት ኣመልኪቱ ንሓድሕዶም ይካሰሱ። እዚ ኲናት፡ ዳግም ቅድሚ ምውልዑ ንክልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት ንምሽምጋል ኣዋርሕ ዝወሰዱ ጻዕርታት እኳ እንተተገብሩ፡ እቲ ደማዊ ኲናት ደው ከብል ዘኽእል ውጽኢት ግን ኣይተረኽበን። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣሜሪካ ኣዳሊያቶ ኣብ ዝተባህለ መድረኽ ዝርርብ፡ ተደራደርቲ ማእኸላይ መንግስትን ሓይልታት ትግራይን ኣብ ጅቡቲ ተራኺቦም ከም ዝተዘራረቡ ምንጭታት ይገልጹ። ሓይልታት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየድ ዝርርብ ሰላም ንምስታፍ ድልዋት ከም ዝዀኑን ኣብቲ ድርድር ዝሳተፉ ወከልቶም ከም ዝመዘዙን ወግዓዊ ምግባሮም ክኣ፡ ነዚ ስዒቡ ዝመጽአ ውሳነ ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብል ግምት ኣሎ። መራሕቲ ትግራይ ብ1 መስከረም 2015 ዓ.ም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየድ ልዝብ ምቹእ ኩነታት ንምፍጣር ስምምዕ ህጹጽ ምቁራጽ ተጻብኦ ንክግበር ድልየት ከም ዘለዎም ኣመልኪቶም። ነቲ ኲናት ደው ንምባል፡ ብሸምጋልነት እቲ ሕብረት ኣብ ዝግበር ዝርርብ ሰላም ንምስታፍ ድልየት ከም ዘለዎ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ዝጸንሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ ነዚ መራሕቲ ትግራይ ዘቕረቡዎ ሓሳብ አወንታዊ ምላሽ ሂብሉ ኣሎ። ምክትል ቀዳማይ ሚኒሰተርን ሚኒሰተር ጉዳያት ወጻእን፡ ኣቶ ደመቀ መኮነን፡ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ዝነበሮ ኣኼባ፡ \"ሕዚ'ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብመገዲ ሕብረት ኣውሮጳ ንዝእለ ዘተ ቅሩብ ምዃኑ\" ተዛሪቡ። መራሕቲ ትግራይ፡ እቲ ኲናት ሓድሕድ ብልዝብ ንክፍታሕ ድሉዋት ከም ዝዀኑ’ኳ እንተገለጹ፡ ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ግን እቲ ኲናት ብዝተፈላለዩ ግንባራት ተጠናኺሩ ከም ዝቐጸለ ተዛሪቡ ኣሎ። ጀነራል ታደሰ፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት፡ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሓባር ብዝኸፈቱዎ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ሸራሮ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ተቘጻጺሮም ከም ዘለው ሓቢሩ። እቲ ኣዛዚ ወሲኹ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ መዓልታት ዘይዛረየ ከቢድ ዝብሃል ኲናት ብዝተፈላለዩ ግንባራት ከም ዝተኻየደ ብምግላጽ ሰራዊት ኢትዮጵያ ድልድል ተከዘ ንምስጋር ፈተነ ይገብር ኣሎ ክብል ንማዕኸናት ዜና እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ተዛሪቡ። መራሕቲ ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ኣብ ርእሰ ከተማ እቲ ክልል ከተማ መቐለ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተፈጸመን ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከም ዝበጽሐ ይኸሱ። ኣብቲ ብሰሉስ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት [ድሮን]፡ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ቐጽሪ ዓዲ ሓቂን ትካል ሬድዮን ቴሌቪዥንን ድምጺ ወያነ ዒላማ ከም ዝዀኑ ካብቲ ክልል ዝወጽኡ ሓበሬታታት የመልክቱ። ትማሊ ሮቡዕ፡ ዳግም ኣምሳል ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ብዝተፈጸመ ካልእ መጥቃዕቲ ድሮን ድማ፡ ብውሑድ 10 ሰባት ከም ዝሞቱን ኣስታት 19 ሰባት ከም ዝቖሰሉን ሓካይም ሆስፒታል ዓይደር ንቢቢሲ ገሊጾም። መንግስቲ ፌደራል ብዛዕባ ዝቐርብሉ ዘለው ክስታት መጥቃዕቲ ድሮን ዝሃቦ ርኢይቶ የለን። ኣብ ትግራይ ኣገልግሎታት ቴሌኮም ተቛሪጾም ብምህላዎም ድማ ብዛዕባ እቶም ዝብሃሉ ዘለው መጥቃዕታት ብሳልሳይ ወገን ምጽራይ ኣይተኽኣለን። ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ንቢቢሲ ኒውስ ደይ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሓይልታት ትግራይ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ይዋግኡ ከም ዘለው ብምግላጽ ኣብ ከተማ መቐለ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ድሮን ይፍጸም ኣሎ ኢሉ። “ይኹን’ምበር፡ ሕጂ’ውን ሰላም ስትራቴጂካዎ ምርጫና’ዩ። ሕጂ’ውን ነቲ ፖለቲካዊ ጸገም ብፖለቲካዊ መገዲ ብልዝብ ጥራይ ንክፍታሕ ብትሪ ንሓትት” ክብል ተዛሪቡ። ማእኸላይ መንግስቲ ዋላ’ውን ነቲ መራሕቲ ትግራይ ዘቕረቡዎ “ጻውዒት ሰላም” ክሳብ ሕጂ ወግዓዊ ምላሽ እንተዘይሃበሉ፡ ገለ ሰብ መዚ መንግስቲ ግን ንመግለጺ ሓይልታት ትግራይ ብጥርጣረ ከም ዝርእዩዎ የመልክቱ። ሚኒስትሪ ሰላም ታዬ ደንደኣ፡ “ጌጋ ክህሉ የብሉን፤ ኣብ ሓንቲ ሃገር ሓደ ሰራዊት ምክልኻል እዩ ዝህሉ፤ እዚ ዓለምለኻዊ መትከል እዩ። ዝርርብ ሰላም ቅድሚ ምጅማሩ ክኣ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቂ ክፈትሑ ኣለዎም” ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። መራሕቲ ትግራይ፡ ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየድ ዝርርብ ሰላም ንምስታፍ ድልውነቶም ምግላጾም ስዒቡ፡ ገለ ተቓወምቲ ሰልፍታት እታ ሃገር መግለጺ ኣውጺኦም ኣለው። ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ [ኢዜማ] ከምኡ’ውን ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ [ኣብን] ኣብቲ ጉዳይ ዘለዎም ርኢይቶ ገሊጾም ኣለው። ኢዜማ፡ “ዘላቒ ሰላም ዝረጋገጽ ሉእላውነት ኢትዮጵያ ብዝዀነ መልክዑ ኣብ ሕቶ ውሽጢ ዘየእተወ ክኸውን ኣለዎ” ይብል። ኣብን ብወገኑ፡ “ህወሓት፡ ኣማራጽታት ድርድርን ሰላማዊ መገድን ዳግም መሳርሒ ኲናትን መሳለጢ ሽበራን ገይሩ ክጥቀመሉ ክፍቀደሉ የብሉን” ኢሉ። መንግስቲ ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን ብወገኖም፡ ሓይልታት ትግራይ ተኹሲ ጠጠው ብምባል ንልዝብ ድሉዋት ኢና ምባሎም ብእወንታ ከም ዝቕበሉዎ ገሊጾም። ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ መሃማት፡ “እዚ ኣጋጣሚ ኣብታ ሃገር ሰላም ንምምጻእ ዘኽእል ዕድል’ዩ” ብምባል ክልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት ብቐጥታ ዝርርብ ክጅምሩ ኣተሓሳሲቡ። ዓመተ 2014 ዓ.ም ቅድሚ ምውድኡ ኣብ ዝነበራ ሒደት መዓልታት፡ ልዕሊ 30 ትካላት ስቪል ማሕበሰረብ እቲ ኲናት ጠጠው ንክብል ጻውዒት ከም ዘቕረባ ይዝከር። ኲናት ትግራይ ድሕሪ ምውልዑ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ፕሬዝደንት ናይጄሪያ ነበር ኦሊሰንጉን ኦባሳንጆ ፍልይ ልኡኽ ሰላም ገይሩ ብምሻም ኣብ ምምጻእ ሰላም ንክሰርሕ ሓላፍነት ሂቡዎ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ክኣ፡ እቲ ትካል ንኦባሳንጆ ዝሃቦ ሓላፍነት ንክናዋሕ ከም ዝገበረ ኣፍሊጡ። “ኣብ ልዕሊኡ ዘለኒ እምነት ዳግም ብምርግጋጽ፡ ምስ ክልቲኦም ወገናትን ዓለምለኸ ተወከልትን ዘለዎ ርክብ ብምቕጻል ኣብ ኢትዮጵያን እቲ ዞባን ሰላምን ዕርቅን ንክመጽእ የተባብዕ” ክብል ኣቦ መንበር ኮሚሽን እቲ ሕብረት ሙሳ ፋኪ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። እቲ ኲናት ብሰላማዊ መገዲ ንክፍታሕ ብዙሕ ኣህጉራውን መንግስታት ዓበይቲ ሃገራትን ጻዕሪ ይገብሩ ምህላዎም ይገልጹ። ማእኸላይ መንግስትን ሓይልታት ትግራይን ናብ ጠረጴዛ ንምምጻእ ቃል ኣትዮም ዝራኸብሉ ግዘን ቦታን ንክእወጅ ጻውዒት ኣብ ዝቐርበሉ ዝነበረ ግዜ’ዩ ዳግም ኲናት ተወሊዑ። መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ፡ እቲ ምስ ህወሓት ዝግበር ዝርርብ ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ጽኑዕ መርገጺ ክህልዎ እንከሎ፡ ሓይልታት ትግራይ ግን እቲ ፍሉይ ልኡኽ ንመንግስቲ “ቀረባ’ዩ” ዝብል ተቓውሞ ኣለዎም። ኣብ ኣሜሪካ ወኪል ህወሓት ዝዀነ ኣቶ ዩውሃንስ ኣብርሃ “ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግበር ዝርርብ ብሕብረት ኣፍሪቃ ምዃኑ ተቓውሞ የብልናን፤ እቲ ሕብረት ወኪል ገይሩ ዝሸሞ ኦሊሰንጉን ኦባሳንጆ ግን ንቕበሎ ኢና ኣይበልናን” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። “ሕጂ’ውን፡ ፕሬዝደንት ናይጄሪያ ነበር፡ እቲ መስርሕ ሰላም ክመርሖ ድልየትና ኣይኰነን”። መራሒ ትግራይ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጽሓፎ ደብዳበ፡ እቲ ዳግም ዝተወልዐ ኲናት “ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝነበሩ ንላዕሊ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ዕንወት ከውርድ እዩ” ክብል ኣጠንቂቑ። ደብረጽዮን ኣብ ደብዳብኡ፡ “እቲ ጐንጺ ብጻዕሪ ሕቡራት ሃገራት ጠጠው ምስ ኣበለ፡ ዘላቒ ሰላም ንክወርድ ብሰብ ሞያ ዝተደገፈ ዓለምለኻዊ ኣደራዳሪ ጉጅለ ክስየም” ሓቲቱ ነይሩ። ኣብ ዙርያ “ልኡኻት ሕብረት ኣፍሪቃ ዘለና መርገጺ ግልጺ ገይርና ኢና” ዝበለ ደብረጽዮን፡ እቶም ብሕቡራት ሃገራት ዝሽየሙ ኣባላት “ብሸነኽና’ውን ተቐባልነት ዘለዎም ክዀኑ ይግባእ” ክብል ኣተሓሳሲቡ። መንግስቲ ፌደራል ነዚ ህወሓት ዘቕረቦ “ጻውዒት ሰላም” ኰነ ናብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ሕቶ ዝምልከት ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ ምላሽ የለን። ሓይልታት ትግራይ ግን፡ እቲ ናይ ሰላም ዝርርብ ብፕሬዝደንት ኬንያ ነበር ኡህሩ ኬንያታ ንክምራሕ ድልየት ከም ዘለዎም ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም። ሓድሽ ፕሬዝደንት ዊልያም ሩቶ ድማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምምጻእ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኡህሩ ኬንያታ ዝጀመሮ ጻዕሪ ንክቕጽሎ ከም ዝተሰማምዑ ተዛሪቡ። ይኹን’ምበር፡ ኡህሩ ኬንያታ ኣብዚ መስርሕ ሰላም ብዛዕባ ዝህልዎ ግደ ብወግዒ ዝፍለጥ ነገር የለን። ኬንያ ኣብ ሰላምን ርግኣትን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓብዪ ግደ ኣለዋ’ዩ ኢሎም ዝኣምኑ ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዜያት ናብ ኬንያ ዝመጽኡ ልኡኻት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ኬንያ ከም ዝተዘራረቡ ይዝከር። ኣሜሪካ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት፡ ሰላም፣ ድሕነትን ርግኣትን ኢትዮጵያ ከምኡ’ውን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ’ዩ ትብል። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዋይት ሃውስ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብታ ሃገር፡ “ሰፋሕቲ መጥቃዕታት፣ ጨፍጫፋት፣ ብሄር ተኰር መጥቃዕታት ሓዊሱ ከቢድ ግህሰት መሰላትን ጾታዊ ዓመጽን” ከም ዝተፈጸሙን ምትዕንቓፍ “ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት” በጺሑ’ዩ ይብል። በዚ ምኽንያት፡ ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ዝፈረመሉን ምስቲ ኲናት ብዝተሓሓዝ ግህሰት ፈጺሞም’ዮም ኣብ ልዕሊ ዝተባህሉ ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተነብረ እገዳን ኣብ ዘለወሉ ንክቕጽል ወሲኑ እዩ። እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝወጽአ ትእዛዝ [2014]፡ እቲ ኲናት ኣብ ምንዋሕን ተበጻሕነት ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ምትዕንቓፍን ተራ ዝነበሮም፣ ምቁራጽ ተጻብኦ ንከይግበር ማሕለኻ ብምዃን ብቐጥታ ተሓተትቲ ዝዀኑ ወይ ዝተሓባበሩ እገዳ ንክግበር ዝፈቅድ እዩ። እቲ እገዳ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ መዚ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ’ውን ኣምሓራ ክልልን መራሕቲ ህወሓትን ዘነጻጸረ’ዩ። እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት፡ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒሙ’ዩ። ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ክኣ፡ እቲ ናይ ሕጂ ሓዊሱ ሰለስተ ዙርያ ውግኣት ተኻይዶም። እቲ ሳልሳይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዳግም ቅድሚ ምውልዑ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ህድእ ኢሉ ጸኒሑ’ዩ። ኣብዚ እዋን፡ ክልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት ንምዝርራብ ክሽምግሉ ጻዕሪ ዝገብሩ ዝነበሩ ኣካላት ዝሰመረሎም ኣይመስልን። ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከበድቲ ውግኣት ይካየዱ ከም ዘለውን ሰፊሕ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ከም ዘሎን ይግለጽ። መራሕቲ ትግራይ፡ ብርክት ብዝበሉ ግንባራት ሰፋሕቲ ውግኣት ይካየዱ ከም ዘለውን ኣብ ከተማ መቐለ ተደጋጋሚ ደብዳብ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ይፍጸም ከም ዘሎን ይገልጹ። ብሸነኽ መንግስቲ ፌደራል ግን ነዚ ኲናት ኣመልኪቱ ዝተባህለ ነገር የለን። ቢቢሲን ካልኦት ምንጪታት ዜናን ብወገን መንግስቲ ዘሎ ርኢይቶ ንምርካብ ጻዕሪ’ኳ እንተገበሩ ኣይሰመረሎምን። መንግስቲ ኰነ መራሕቲ ትግራይ፡ እቲ ኲናት ብልዝብ ንክፍታሕ ድልየት ከም ዘለዎም እኳ እንተኣፍለጡ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ዝርኣዩ ዘለው ክስተታት ግን ክልቲኦም ወገናት ናብ ጠረጴዛ ሰላም ዘብጽሖም ስጉምቲ ይወስዱ ከም ዘየለው ዘመላኽቱ ከም ዝዀኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyx5vz19k7go"} {"headline":"ጻውዒት ሰላም መራሕቲ ትግራይን ስቕታ መንግስትን እንታይ የመልክት?","content":"ሓይልታት ትግራይ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝመርሖ ዝርርብ ሰላም ንምስታፍ ድሉዋት ምዃኖም ገሊጾም ኣለው። ቅድም ኢሉ፡ መንግስቲ 'በይናኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦ' ድሕሪ ምእዋጁ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ህድእ ኢሉ ዝነበረ ኲናት፡ ክልቲኦም ተራጸምቲ ወገናት ናብ ድርድር ክመጽኡ'ዮም ዝብል ተስፋታት ክቀላቐሉ ገይሩ ነይሩ። እንተዀነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እቲ ኲናት ዳግም ምስ ተወልዐ፡ ነቶም ተስፋታት ኣጸልሚቱዎም ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ምቁራጽ ተጻብኦ ተኣዊጁ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝመርሖ ልዝብ ንምስታፍ ድልዊ ከም ዝዀነ ብምግላጽ ዝሳተፍ ኮሚቴ ሸይሙ። ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ ብፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት ዝምራሕ ልዝብ ከም ዘይደልዩ ይገልጹ ነይሮም። ይኹን'ምበር፡ ሕጂ መራሕቲ ትግራይ እቲ ድርድር ብዘይ ዝዀነ ቅድመ-ኵነት ንክጅምር ዝዕድም ጻውዒት ሰላም እዮም ኣቕሪቦም ዘለው፤ እዚ ኽኣ ኣመሪካ፣ ሕብረት ኣውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣካላት ደጊፎምዎ ኣለው። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ የለን። ሓይልታት ትግራይ ኣብ ሓድሽ ዓመት ኣቆጻጽራ ግእዝ 2015 ዓ.ም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ እዚ ዓመት ኣብ ትግራይ ድምጺ ተኹሲ ዘይስምዓሉ፣ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ሰብኣዊ ረድኤትን ዝበጽሑሉ ዓመት ክኸውን ተምኒቶም ገሊጾም። ኦሊሴጎን ኦባሳንጆ ድማ፡ ኣብቲ ቅድም ኢሉ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ከም ዝቕጽል እቲ ሕብረት ኣፍሊጡ'ዩ። ብኻልእ ወገን፡ ሓድሽ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ፕሬዝደንት ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ሞንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ዝግበር ዝርርብ ንክሳተፍ ሸይሙዎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ዋላ'ውን ነቲ ካብ ትግራይ ዝቐረበ፡ \"ጻውዒት ሰላም\" ወግዓዊ ምላሽ እንተዘይሃበ፡ ምስ ሰብ መዚ ሕብረት ኤውሮጳ ዝተራኸበ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮንን መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝመርሖ ልዝብ ሰላም ንምስታፍ \"ድልዊ'ዩ\" ምባሉ ሚኒስቴር ጉዳያት ወጻኢ ሓቢሩ። ሓላፊ ማሕበር ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ያሬድ ሃይለማርያም፡ ጻውዒት ሰላም ህወሓት ብኽልተ ምኽንያታት ኣካታዒ ኰይኑ'ዩ ይብል። እቲ ሓደ፡ \"እቲ ጻውዒት ሰላም 'ውዑይ' ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ዝቐረበ ምዃኑ'ዩ። ኲናትን ጻውዒት ሰላምን ከመይ ኢሉ ብሓባር ክኸይድ ይኽእል ዝብል ጉዳይ ሓደ'ዩ\" ይብል። እቲ ካልኣይ ኣካታዒ ዝብሎ ጉዳይ ድማ፡ \"ህወሓት ክሳራ ስለ ዝበጽሖ እዩ ነዚ ጻውዒት ኣቕሪቡ ዘሎ፤ ስለዚ፡ እቲ ጻውዒት ሰላም ልባዊ ኣይኰነን፤ መዐደጊ ግዜ'ዩ ዝብሉ'ውን ኣለው\" ኢሉ። እቲ ተሓላቒ መሰላት፡ ሰባት ዋላ’ውን ነዞም መካትዒ ሓሳብ የልዕሉ እንተሃለው፡ ነቲ ዝቐረበ ጻውዒት ግን ዕሽሽ ክንብሎ ዝግባእ ኣይኰነን ይብል። “ዝዀነ ወገን፡ 'ንሰላም ዕድል ንሃብ፤ ኣነ ተኹሲ ደው ከብል እየ እንተይሉ' ንሰላም ዘለዎ ድልውነት ዘርኢ’ዩ። ስለዚ ህወሓት ብርግጽ ንሰላም ድልውነት ኣለዎ ድዩ ዝብል ድሕሪ ሕጂ ዝርኣይ ክኸውን እዩ፤ ኣነ ግን እቲ ጻውዒት ኣይነፍጐን” ይብል። ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝሰርሐ በዓል ሞያ ሕሂ ባይሳ ዋቅወያ ብተመሳሳሊ፡ ንዘራረብ ምባል ከም ስዕረት ኣይርእዮን ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። “እቲ ጐንጺ፡ ፖለቲካዊ ውድቀት’ዩ፤ ኣብ ፖለቲካ ምስናፍ’ዩ ግጭት ዘምጽእ” ይብል። መጀመርታ ክልቲኦም ኣካላት፡ ናብ ጐንጺ ምእታዎም ጌጋ’ዩ ዝብል እቲ ሙሁር፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ጸገማት ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ዘቲኻ ምፍታሕ ከም ድኽመት እዩ ዝርኣይ” ብምባል ይገልጽ። “ሕጂ፡ ሓይልታት ትግራይ ንዘራረብ ክብሉ እንከለው፡ ብሸነኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ፡ ‘ስለ ዝደኸሙ’ዮም ሰላም ዝብሉ ዘለው፤ ስለዚ ክንሰብሮም ኢና’ ዝብል ነገር ይስማዕ። እዚ ምሁራት’ዮም ዝብሃሉ ዓበይቲ ሰባት እውን’ዮም ከምኡ ዝብሉ” ክብል ይነቅፍ። ወሲኹ፡ ሓይልታት ትግራይ ጻውዒት ዘቕረብሉ ምኽንያት ዝዀነ ይኹን “ህይወት ሰብ ዘድሕን፣ ቁጠባ ንከይጉዳእ ዝገብር፣ ዕንወት መሰረተ ልምዓት ዝከላኸል ስለ ዝዀነ ክተባባዕ ይግባእ” ብምባል መንግስቲ ወግዓዊ ምላሽ ክህበሉ ኣለዎ ኢሉ። ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ያሬድ፡ መንግስቲ ክሳብ ሕጂ ምላሽ ዘይሃበሉ ምኽንያት ምግማት ኣዝዩ ከቢድ’ዩ ይብል። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደመቀ መኮንን፡ እቲ ዝርርብ ሰላም ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ እንተዀይኑ፡ መንግስቲ ምሉእ ድልውነት ኣለዎ ካብ ምባል ሓሊፉ፡ ነቲ ህወሓት ዘቕረቦ ጻውዒት ወግዓዊ ምላሽ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ ይርከብ። ዋላ’ኳ ስቕታ መንግስቲ ግር ዘብል እንተዀነ፡ “ነቲ ብሸነኽ ህወሓት ዝቐረበ ጻውዒት ካብ ምጥርጣር ወይ ዘይምእማን ዝነቅል ክኸውን ይኽእል’ዩ” ይብል። “ምናልባት መንግስቲ ካብ ህወሓት ዝጽበዮ ተወሳኺ ነገር ዘሎ ይመስለኒ። ህወሓት ሕጂ ኲናት ካብ ዘለዎ ቦታ ክወጽእ፡ ወይ ኲናት ጠጠው ከብሉ ስለ ዝደለየ ክኸውን ይኽእል”። ወሲኹ'ውን፡ ገለ ሰብ መዚ መንግስቲ ፌደራል፡ እቲ ድርድር ቅድሚ ምጅማሩ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቂ ክፈትሑ ኣለዎም ዝብሉ ርኢይቶታት ምሃቦም ብኣብነት የልዕል። መራሕቲ ትግራይ “ጻውዒት ሰላም” ድሕሪ ምቕራቦም ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃበ ኣዛዚ ሰራዊት ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ “ጉዳይ ምዕራብ ትግራይ ኣንይንደራደሉን” ክብል ተዛሪቡ። እቲ ኲናት ዳግም ቅድሚ ምውልዑ፡ ክልቲኦም ሓይልታት ናብ ሰላማዊ ዝርርብ ክመጽኡ ይኽእሉ’ዮም ኣብ ዝብሃለሉ ዝነበረ ግዜ ኣብ ገለ ቅድመ ኩነታት ከም ዘይተሰማምዑ ይዝረብ ነይሩ። ሓላፊ ማሕበር ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣቶ ያሬድ፡ ዝዀነ ዓይነት ዝርርብ ቅድሚ ምጅማሩ ዝቕመጡ ቅድመ ኩነታት ንመስርሕ ዕርቂ የበላሽው’ዮም ኢሉ ይኣምን። “እቲ ኣደራዳሪ ኣካል ሕብረት ኣፍሪቃ ይኹን ዝብል ኣብ ቦታኡ እንከሎ፡ ግዝኣታት ትግራይ ናብ ቦታኦም ይመለሱ ዝብሉ ነገራት ይለዓሉ’ዮም። ኰፍ ኢልካ ብዝርርብ ክፍትሑ ዝግብኦም ጉዳያት ናብ ዘተ ንምእታው ቅድመ ኩነት ኰይኖም ክቕመጡ የብሎምን” ይብል። መን የደራድረና? ኣበይ? መዓዝ ንራኸብ? ተዓዛቢ መን ይኹን? ዝብሉ ነጥብታትን ምቁራጽ ተጻብኦን ከም ቅድመ ኩነት እንተቐረቡ ዘጸግም ከምዘይኮነ ኣቶ ያሬድ የረድእ። “ኣብ ገለ ሃገራት፡ ተኹሲ ደው ኣቢልና ንዘራረብ ክብሃል ይስማዕ’ዩ፤ ኣብ ካልእ ቦታታት ድማ ተኹሲ ጠጠው ኣቢሎም ኣብ ወረቐት ክሰፍር ብምግባር ነዚ ዝጥሓሰ ክቕጻዕ ይግበር። ክልቲኦም ወገናት ዕርቂ ዝደልዩ እንተዀይኖም፡ ነዚ ክሓስብሉ ይግባእ”። ተሰናባቲ ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ልኡኻት መንግስታት ካልኦት ሃገራትን ኣብ ዝተረኸብሉ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ስልጣኑ ንፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ከም ዘረከበ ይዝከር። ዊልያም ሩቶ፡ ሓምሻይ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኰይኑ ቃለ መሓላ ምስ ፈጸመ፡ ቀንዲ ኣንፈታት ትኹረት መንግስቱ ኣብ ዘብርሀሉ ግዜ፡ ኬንያታ ኣብ ኢትዮጵያን ዞባ ዓበይቲ ቀላያትን ሰላም ንምምጻእ ዝምስገን ተግባር ወጊኑ'ዩ ብምባል ተዛሪቡ። እቲ ክልተ ዓመት ክመልኦ ቀሪቡ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓዊሱ ኡሁሩ ኬንያታ ተደጋጋሚ ጻዕሪ ገይሩ’ዩ ብዝብል ሽሙ ይለዓል። ኬንያ፡ ምስ ኢትዮጵያ ጥቡቕ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ዘለዋ ሃገር ኰይና፡ ኬንያታ ድሕሪ ምጅማር እቲ ኲናት ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ምስ መራሕቲ እታ ሃገር ተዘራሪቡ’ዩ። ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ፡ ኣብ ሞንጐ ክልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት ሰላም ንምምጻእ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረሉን። መራሕቲ ትግራይ፡ “ኦባሳንጆ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ቀረባ’ዩ” ክብሉ ይከሱ። ተንታኒ ጉዳያት ሰላም ኣፍሪቃ ዓብዱላሂ ቦሩ ሃለኬ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምዕሳል ቅድሚ ሕጂ ዝጀመሮ ምንቅስቓስ ንክቕጽል ካብ መንግስቲ ሃገሩ ሓላፍነት ምርካቡ እወንታዊ ምዕባለ እዩ ይብል። ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኩነታት ኢትዮጵያን ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎን ብቐረባ ይከታተሎ ከም ዝነበረ ብምግላጽ፡ ዊልያም ሩቶ፡ ኣብ ስርሑ ንክቕጽል ምግባሩ ስትራቴጂካዊ’ዩ ብምባል የረድእ። ኡሁሩ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ኣብ ምምጻእ ንክሳተፍ እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት እንተሾሞ’ውን ሕብረት ኣፍሪቃ ግን ዝሃቦ ሓላፍነት የለን። “ስለዚ፡ ኬንያታ መዓዝን ከመይን ንመስርሕ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ተቐቢሉ ከቐጽሎ ይኸውን፤ ወይ ክቃወሞ ድዩ ዝብል ክንከታተሎ ይግባእ” ኢሉ ዓብዱላሂ። መራሕቲ ትግራይ፡ ምስ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ዝግበር ዘተ ብቐንዱ ዘልዕሉዎ ጉዳይ ተኣማንነት ኣደራደርቲ ወገናት እዩ። “ህወሓት ቅድሚ ሕጂ፡ ኦባሳንጆ ብሰንኪ እቲ ምስ መንግስቲ ፌደራል ዘለዎ ቅርበት ኣይንቕበሎን ይብል ነይሩ። ብኣንጻሩ፡ ኣብ ልዕሊ ኬንያታ ዝዀነ ቅርታ የብሉን፤ ንዕኡ’ዩ ዝደሊ” ይብል ኣቶ ያሬድ ሃይለማርያም። ስለዚ፡ “ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኦባሳንጆ እምነት እንተዘይሃልዩዎ፡ ኡሁሩ ኬንያታ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ኰይኑ እንተመጺኡ፡ መንግስቲ ድማ እቲ ጉዳይ ብሕብረት ኣፍሪቃ ይርኣይ ዝብል ሕትኡ እንተተመሊሱ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ልዕሊ እቲ ሕብረት እምነት ኣሕዲሮም ኣለው ማለት’ዩ” ክብል የረድእ። ኬንያታ፡ ነቲ ድርድር ክመርሖ እንተኽኢሉ፡ ብክልቲኦም ወገናት ዝህሉ ተቐባልነት እንታይ ክመስል ይኽእል ኢልና ዝተወከስናዮ ዓብዱላሂ፡ እዚ ምግማት ቀሊል ኣይኰነን ይብል። ንሱ ከም ዝብሎ፡ “መንግስቲ ፌደራል፡ ነቲ መስርሕ ሰላም ክቆጻጸሮ እዩ ዝደሊ፤ ኦባሳንጆ ዝመርሖ መስርሕ ክኣ ምስ’ዚ ድልየት ሓቢሩ ዝኸይድ’ዩ። ይኹን’ምበር፡ ንኬንያታ ክቆጻጸሮ ኣይክእልን” ኢሉ። እቲ ተንታኒ ወሲኹ፡ ክልቲአን ሃገራት ከም መሓዙት ሃገራት ዝጠማመታ እንተዀና’ውን፡ ንሓድሕደን ጸብለልታ ንምምዝጋብ ዝነሃንሓ ሃገራት ምዃነን ክዝንጋዕ የብሉን ዝብል እምነት ኣለዎ። “ህወሓት ጥራይ ዘይኰነ፡ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ኣሜሪካን፡ ኬንያታ ዝመርሖ መስርሕ ሰላም’ዮም ዝድግፉ። ስለዚ ኡሁሩ ኬንያታ፡ በቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ምምራጹ ክንደየናይ ናይ ሩቶ ሃሳብ’ዩ? ወይስ ጽልዋ ኣካላት ወጻኢ ኣለዎ ዝብል ግልጺ ኣይኰነን” ይብል።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72e12l0qxdo"} {"headline":"ኣትሌት ጎተይቶም ገብረስላሰ ኣብ ማራቶን ቻምፕዮን ዓለም ተዓዋቲት ወርቂ መዳልያ ኮይና","content":"ሓደ ኪሎ ሜትር ኣብ ዝተረፈሉ ኣትሌት ጎተይቶም ገብረስላሰ ነታ ንነዊሕ ኪሎሜትራት ነቲ ውድድር ክትቅልሶ ዝውዓለት ኬንያዊት ኮሪሪ ራሕሪሓታ ብምኻድ፡ ኣብ ማራቶን ቻምፕዮን ዓለም ተመዝጊቡ ዝፀነሐ ግዘ ብምምሕያሽ ተዓዋቲት ወርቂ መዳልያ ኮይና። ጓል 27 ዓመት ኢትዮጵያዊት ጎተይቶም ገብረስላሰ፡ ነዚ ውድድር ብ 2፡18፡11 እያ ተዓዊታትሉ። ነዚ ስዒቡ ኢትዮጵያ ኣብዚ ውድድር ሳልሳይ ወርቂ  መዳልያ ረኺባ ኣላ። ጎተይቶም ገብረስላሰን ኬንያዊት ኮሪርን ንነዊሕ ኪሎሜትራት በይነን ተፈልየን ነቲ ውድድር ብምቕላስ ቀዳመይትን ካልአይትን ኮይነን ውድድረን ዛዚመን። ኬንያዊት ኮሪሪ ካልኣይቲ ክትወፅእ እንከላ፡ ኣብ መበል 39 ኪሎሜትር ንናዝሬት ወልዱ ዝፈለየታ እስራኤላዊት ሳል ፒተር ሳልሰይቲ ኤርትራዊት ናዝሬት ወልዱ ራብዓይቲ ብምዃን ውድድረን ዛዚመን። ኣትሌት ጎተይቶም ገብረስላሰ ኣብቲ ዝሓለፈ መስከረም 2021 ኣብ በርሊን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ማራቶን በርሊን 2፡20፡ 09 ብምምዝጋብ ቀዳማይቲ ኮይና ምዕዋታ ይፍለጥ። ኣባበል የሻነሽ ንክትዛዝም ሸሞንተ ኪሎሜትራት ምስ ተረፋ ውድድራ ክተቋርፅ እንከላ፡ ናዝሬት ወልዱን እስራኤላዊት ሳል ፒተር እንተተኻኢሉ ንጎተይቶም ገብረስላሰን ኬንያዊት ኮሪርን ከርክባ እንተዘይኮይኑ ኸኣ ነሓስ መዳልያ ንኽረኽባ ነተን ኣብ መበል 35 ኪሎሜትር ብልዕሊ ሓደ ደቒቕ ቀዲመንአን ዝነበራ ጎተይቶምን ኮሪርን ንምርካብ ሓያል ቅልስ ኣካየደን። ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ኤርትራን እስራኤልን ሓሓንቲ ተቐዳደምቲ ኣብ ቅድሚት፡ ፀወታ ክዛዘም 5 ኪሎ ሜተር ኣብ ዝተረፈሉ፡ ኣብ ሞንጎ ቀዳመይትን ካልአይትን ጉጅለ 1 ደቂቕን 43 ካልኢት ነይሩ። ኣብ መበል 39 ኪሎሜትር ናዝሬት ወልዱ ካብ እስራኤላዊት ሳል ፒተር ዘልሓጥ ክትብል ተራእያ። ኦሎምፒካዊት ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ፡ ሎሚ ኣብ ኦሮጎን ዘመዝገበቶ ራብዓይ ደረጃ፡ ኣብ ኤርትራውያን ብደቂ ኣንስትዮ ኣብ ማራቶን ቻምፕዮን ዓለም ዝተመዝገበ ዝበረኸ ዓወት ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ። ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ደቲ ተባዕትዮ’ውን ፡ ኢትዮጵያዊ ታምራት ቶላን ሞሶነት ገረመውን ቀዳማይን ካልኣይን ብምውፃእ ንኢትዮጵያ ወርቅን ብሩር መዳልያን ከግዝምዋ ክኢሎም’ዮም። ኣብ ናይ 10 ሽሕ ኪሎሜትር’ውን ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ንኬንያዊያን ኣትሌታት ሄለን ኦቢሪን ቼሊሞ ኪፕኬምቦይን ብምብላፅ ወርቂ መዳልያ ክትረክብ ክኢላ እያ። ኣብ ናይ 10 ሽሕ ኪሎሜትር ኤርትራዊት ራሄል ዳንኤል ሓምሸይቲ ብምዃን ውድድራ ምዝዛማ ዝዝከር እዩ። ኣብዚ ውድድር ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብሽዱሽተ ወርቂ ብ14 መዳልያ ቀዳመይቲ ክትከውን እንከላ ኢትዮጵያ ብሰለስተ ወርቂ ኣርባዕተ መዳልያታት  ኣብ ካልኣ ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ckr02np2r1lo"} {"headline":"ኬንያውያን ሓድሽ መራሒ ይመርጹ ኣለዉ","content":"ክብሪ ናብራ፡ ሸቕለት ኣልቦነትን ብልሽውናን ቀንዲ ጐስጓሳት ምረጹኒ ኮይኖም ዝቐነይሉ መስርሕ ምርጫ ኬንያ ሎሚ፡ ሰሉስ 09 ነሓሰ 2022 ንግሆ ጀሚሩ። ንኽልተ እብረ ነታ ሃገር ዝመርሐ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ፡ እቲ ሓደ እዋን ቀንዲ መቐናቕንቱ ዝነበረ ወዲ 77 ዓመት ራይላ ኦዲንጋ ክትከኦ እዩ ዝደሊ። ኬንያታ ምስቲ ክትከኦ ተስፋ ገይሩ ዝነበረ ምኽትሉ ወዲ 55 ዓመት ዊልያም ሩቶ፡ ናብ ቅርሕንቲ ምስኣተው እዩ ንኦዲንጋ ዝድግፍ ዘሎ። ልዕሊ 22 ሚልዮን ኬንያውያን ኣብቲ ምርጫ ከድምጹ ተመዝጊቦም ኣለዉ። ካልኦት ምርጫታት እውን ይካየዱ ምህላዎምን ኣብ ገለ ከባቢ ምትሕውዋስ ቅጥዒታት ስለዝተርኣየን ግን ኣብ ጽፈት እቲ ምድላው ሕቶ ከልዕል ጀሚሩ'ሎ። እቲ ሰዓት 6፡00 ንግሆ ዝጀመረ ከይዲ ምሃብ ድምጺ፡ ን 11 ሰዓታት ክፉት ኰይኑ ክጸንሕ እዩ። ኣብቲ ኣብ 2017 ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ ቤት ፍርዲ ዝርዝር ድምጺ ናብ ኤሌክትሮኒካዊ መሳርሒ ኣብ ምትሕልላፍ ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ሕጊ ኣይተኸተለን ብምባል ነቲ ምርጫ ሰሪዝዎ ነይሩ። ኣብቲ ዝተደገመ ምርጫ ኡህሩ ኬንያታ ክዕወት እንከሎ፡ ቀንዲ ተናሓናሒኡ ዝነበረ ኦንዲንጋ ንርእሱ ካብቲ ምርጫ ኣግሊሉ። ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ምርጫ፡ ራይላ ኦዲንጋን ዊልያን ሩቶም ብኸቢድ ዝነሓንሕሉ ይመስል። እቲ ደገፍቱ ‘ባባ’ ኢሎም ዝጽውዕዎ ምኵር ተቓዋሚ ፖለቲከኛ፡ ንሓምሻይ እዋን እዩ ንፕረዚደንትነት ዝወዳደር ዘሎ። ንባዕሉ ከም ሓደ ተራ ኬንያዊ ገይሩ ከቕርብ ዝፍትንን ንነብሱ ‘ሃስለር’ (ጻዕራም) ኢሉ ዝጽውዕን ዊልያም ሩቶ ድማ ንፈለማ እዋን ዝወዳደር ዘሎ። ደቪድ ምዋረን ጆርጅ ዋጃኮያን ዝበሃሉ ካልኦት ሕጹያት ተወዳደርቲ እውን ኣለዉ። ዋላ'ኳ ኣብቲ ወፍሪ ምረጹኒ ብዙሓት ኣገደስቲ ዛዕባታት ተላዒሎም እንተዀኑ፡ ዓሌታዊ ተኣማንነት እውን ነቲ ሰባት ንመን ይመርጹ ዝብል ክውስን ከምዝኽእል ይግመት። ንፈለማ እዋን ነቶም ብቝጽሪ ዝለዓሉ ዓሌት ኵኪዩ ዝወከለ ፕረዚደንታዊ ተወዳዳሪ የለን። እንተዀነ ንናይቲ ዓሌት ልቢ ንምርካብ ክልቲኦም ቀንዲ ተወዳደርቲ ምክትላቶም ካብቲ ዓሌት ሓርዮም ኣለዉ። ኣብቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንምዕዋት ሓደ ተወዳዳራይ፡ ካብ መላእ እታ ሃገር ልዕሊ ፍርቂ ድምጺ ከምኡ ድማ ብውሑድ ኣብ 24 ግዝኣታት እንተወሓደ 25 ሚእታዊት ድምጺ ክረክብ ኣለዎ። እቶም ኣድመጽቲ ብተወሳኺ ናብ ቤት ምኽሪ ዝኣትዉ ወከልቲ፡ ኣመሓደርቲ ግዝኣታትን ኣባላት ባይቶ እተን ግዝኣታትን ክመርጹ እዮም። እቶም ቀንዲ ተነሓናሕቲ ንውጽኢት እቲ ምርጫ ከምዝቕበሉ ቃል ኣትዮም ኣለዉ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cm578xxdgr0o"} {"headline":"ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ ብዓወት ዊልያም ሩቶ ከምዝተወድአ ኮሚሽን ምርጫ ኣፍሊጡ","content":"ድሕሪ ናይ 6 መዓልታት ትጽቢት ዝተገልጸ ውጽኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ ብዓወት ዊልያም ሩቶ ከምዝተወድአ ኣቦመንበር ኮሚሽን ምርጫ ብወግዒ ኣፍሊጡ። ምክትል ፕረዚደንት ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ዊልያም ሩቶ ሳሞይ 50.5 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ'ዩ ተዓዊቱ ዘሎ። ኣቦመንበር ናይቲ ኮሚሽን ዋፉላ ቸቡካቲ ኣብ ዝገለጾ ውጽኢት ምርጫ ቀንዲ ተቓናቓኒኡ ዝኾነ ራይላ ኦዲንጋ ብወገኑ 48.85 ሚእታዊት ከምዝረኸበ ገሊጹ። ስነስርዓት ምንጋር ናይቲ ንኣስታት ሓደ ሰሙን ትጽቢት ዝተገብረሉ ውጽኢት ምርጫ ምስሕሓብን ውጥጥን ዝተራእየሉ'ዩ ነይሩ። ምክትል ኣቦመንበር ዝርከቦም ኣርባዕተ ኣባላት ናይቲ ኮሚሽን፡ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ \"ዋንነት ውጽኢት ምርጫ ክንወስድ ኣይክኣልናን\" ብምባል ዘለዎም ተቓውሞ ኣፍሊጦም ኣለዉ። \"ዘይግሉጽ ባህሪ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ናይዚ ገጽ\" መስርሕ ምርጫ ነቲ መግለጺ ክህቡ ከምዘገደዶም ድማ ጠቒሶም። ምክትል ኣቦመንበር ናይቲ 7 ኣባላት ዘለውዎ ኮሚሽን ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ተወሳኺ \"ሰፊሕ መግለጺ ክንህብ ኢና. . .ናብ ኣብያተ ፍርዲ ንምዃድ ክፉት ኣፍደገ ስለዘሎን ግዝኣተ-ሕጊ ክረጋገጽ ብምዃኑን ኬንያውያን ክሃድኡ\" ተማሕጺና። ወከልቲ ናይቲ ኦዲንጋ ዝመርሖ ሰልፊ ኣቐዲሞም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ምርጫ ምጥፍፋእ ከምዝነበሮ ተዛሪቦም ነይሮም። ክልተ ላዕለዎት ኣባላት ናይቲ ኮሚሽን ከምዝቖሰሉን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ምፍርራሕ፡ ምስዋርን ማእሰርቲ ዝበጽሖም ወከልቲ ኮሚሽን ምርጫ ከምዘለዉ'ውን ኣቦመንበር ናይቲ ኮሚሽን ገሊጹ። ምሩጽ-ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ኣብቲ ስነስርዓት ኣብ ዘስምዖ መደረ \"ደስ ዝብል ምሸት'ዩ\" ክብል ሓጎሱ ድሕሪ ምግላጽ፡ \"ጅግና\" ክብል ንኣቦመንበር ኮሚሽን ምርጫ ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ። ናይ ኩሎም ኬንያውያን ፕረዚደንት ኮይኑ ከገልግል ምዃኑ ቃል ብምእታው ድማ፡ እታ ሃገር ንቕድሚት ክትጥምት ተማሕጺኑ። \"ነቶም ኣንጻርና ብዙሕ ነገር ዝገበሩ ክብሎም ዝደሊ፡ ዝፈርሕዎ ነገር የለን። ሕነ ምፍዳይ ኣይክህሉን'ዩ። ንድሕሪት ክንምለስ ግዜ የብልናን\" ክብል ሕድገት ከምዝገብር ኣሚቱ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c6per6l61gko"} {"headline":"ከይዝ' ዘረስዕ ነዊሕን መሪርን ናብራ መዓስከር ስደተኛታት","content":"መረዳእታ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት (ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር) ከምዘመልክቶ፡ ክሳብ ወርሒ ለካቲት 2021 (ኣ.ኣ) ኣብ መዕቈቢ ስደተኛታት ደዳብ፡ 224 ሽሕ ከምኡ ድማ ኣብ ካኩማ 206 ሽሕን 458 ስደተኛታት ከምዝነብሩ ተመዝጊቡ'ሎ። ብሓፈሻ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኬንያ ምስ ዝነብሩ ክድመር እንከሎ፡ ልዕሊ 500 ሽሕ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብታ ሃገር ኣለዉ። እቶም ስደተኛታት ካብ ኢትዮጵያ፡ ሶማሊያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ፡ ብሩንዲ፡ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ኡጋንዳ፡ ሩዋንዳን ካልኦት ሃገራትን ዝመጽኡ እዮም። ካብቶም ስደተኛታት፡ ልዕሊ ፍርቂ ሶማላውያን ኮይኖም፡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ድማ ልዕሊ 29 ሽሕ ከምዝበጽሑ መረዳእታ እቲ ትካል የመልክት። ኣብ ኬንያ ግዝኣት ቱርካና ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ካኩማ ዝነብሩ፡ ኣቶ ጀማል ኣደምን ኣቶ ኣልዩ ዑስማንን በብእዋኑ ብዙሓት ስደተኛታት ናብቲ ቦታ ከምዝኣትው ይዛረቡ። ክልተኦም ስደተኛታት ካብ ኢትዮጵያ ካብ ዝወጽኡ 20 ዓመታት ክመልኦም ቀሪቡ'ሎ። \"ብቝልዕነተይ ናብ ካኩማ ኣትየ፡ ሎሚ ኣቦ ሽድሽተ ቈልዑ ኮይነ'ለኹ\" ይብል ካብ ምብራቕ ሃረርጌ ከተማ ደደር ዝተሰደደ ኣይተ ጀማል። ካብታ ከተማ ብ1997 [ግእዝ] ናይ ሻምናይ ክፍሊ ትምህርቱ ኣቋሪፁ ናብ ኬንያ ዝተሰደ ጀማል፡ ናብ ካኩማ ገና ኣብ ዕድመ ንእስነቱ ከም ዝኣተወ ይዝክር። ካብ ሃገሩ ዝወጽኣሉ ምኽንያት ከረድእ ከሎ፡ \"ናዕቢ ኣለዓዒልካ\" ብዝብል ብዕጡቓት መንግስቲ ምክልባት ምስወረዶ፡ ካብኡ ንምህዳም ናብ ኬንያ ከም ዝተሰደ ይዛረብ። ብ1995 [ግእዝ] ካብ ኢትዮጵያ ዝወጽአ ኣቶ ኣልዩ ዑስማን ብወገኑ፡ ንዓመታት ኣብቲ መዓስከር ብምጽንሑ፡ ኣብቲ ትካል ስደተኛታት፡ ጉዳዩ 'ከይዝ' እንታይ ኢሉ ከምዘመዝገበ ከምዝረስዖ ይገልፅ። ን17 ዓመታት ምስቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ቤተሰቡ ክራከብ ብዘይምኽኣሉ ድማ የጉህዮ። \"ንነዊሕ ዓመታት ብዛዕባ ሃለዋትን ኵነታትን ቤተሰበይ ኣይፈልጥን። ኣብ ቀረባ እዋን ግን ሰባት ብዛዕባ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኵነታት ሓበሬታ ስለዝጥቅዑ፡ ምስኦም ተጸሓሒፈ ብዛዕባ ቤተሰበይ ገለ ነገራት ክሰምዕ ጀሚረ፡\" ክብል ሎሚ'ውን ጉዳይ ቤተሰቡ ከም ዘሻቕሎ ይዛረብ። \"ኣነ፡ ብመጠኑ ኣብዚ እዋን ደሃይ ቤተሰበይ እረክብ ኣለኹ። ካልኦት ፈጺሞም ምስ ቤተሰቦም ዘይራኸቡ ኣለዉ። ኣነ ኣቦ ቈልዑ ኮይነ ኣብዚ ተሪፈ ኣለኹ፡\" ክብል ወሲኹ የረድእ። ስደተኛ ኰይኑ ካብ ዝምዝገብ ልዕሊ 15 ዓመታት ከምዝኾነ ዝዛረብ ኣቶ ጀማል፡ ክሳብ ሎሚ ዝኾነ ነገር ከም ዘይረኸበ ይገልጽ። \"ዝተመዝገብኩሉ ጉዳይ ['ከይዝ'] እውን ረሲዐዮ ኣለኹ። ሎሚ ንሱ ገዲፈ ናይ ውልቀ ስራሕ ጀሚረ'ለኹ። ናብራይ ንምምራሕ ንግዲ ጀሚረ። ብፃዕረይ ደቀይ የዕብዮምን የምህሮምን ኣለኹ\" ይብል። ብተመሳሳሊ ኵነታት ዝተመዝገበሉ ጉዳይ ['ከይዝ'] ከምዝረስዖ ዝዛረብ ኣቶ ኣልዩ ብወገኑ፡ \"መንግስቲ ኬንያ ነዚ መዓስከር ክዓጽዎ ምዃኑ ይገልጽ'ዩ። ንሕና ካብ ፈጣሪ ወጻእ ካልእ ነገር የብልናን። ንጉዳይና ዝሓዙ ኣካላት'ውን ካባና ርሒቘም'ዮም\" ክብል ኣብ ስምዒት ሓዘን ኰይኑ ንዝርከቡሉ ኵነታት የረድእ። ኣቶ ጀማል ኣብ ጕዕዞ ስደቱ ዝወለዶም ሰለስተ ደቁ፡ ሓምሻይን ሻድሻይን ክፍሊ በጺሖም፣ \"ብዝኸኣልክዎ ዓቕሚ፡ ደቀይ፡ እቲ ኣነ ዝበጽሓኒ ዕጫ ህይወት ክበጽሖም ኣይደልን። ነዚ ድማ እየ ዝጓየ ዘለኹ፡\" ይብል። ናብ ኬንያ ክመፅእ እንከሎ ጥራሕ ኢዱ ብምንባሩ፡ ትምህርቱ ክቕጽል ከምዘይከኣለ ዝዝክር ኣቶ ጀማል፡ \"ኣነ ዝሰኣንክዎ ዕድል፡ ደቀይ ከም ዝመሃሩ ብምግባር ከካሓሕሶ ኣለኒ፡\" ብዝብል ደቁ ክመሃሩ ኣብ ምግባር ከምዘተኮረ ንቢቢሲ ገሊጹ። ኣብቲ መዓስከር 20ን 30ን ዓመታት ዝመልኦም ስደተኛታት ከምዘለዉ፡ ክልቲኦም ኢትዮጵያውያን ይዛረቡ። ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክንሳገር ኢና ዝብል ተስፋ'ኳ እንተሃለዎም፡ ኣብኡ ቤተሰብ መስሪቶም ናብራ ቀጺሎም ኣለዉ። ኣቶ ጀማል ናብ መዓስከር ስደተኛታት ካኩማ ክኣቱ እንከሎ፡ ዝሕግዞ ዝኾነ ይዅን ኣካል ኣብ ጐድኑ ከምዘይነበረ ይዝክር። \"ብዝኸኣልክዎ ዓቕሚ ጽዒረ ክመሃር ወይ ክሰርሕ ኣለኒ ኢለ ወሲነ። ካብ ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ብዝረኽበን ሓገዝ ጥራይ ትምህርቲ እንተጀሚረ፡ ካብ ሰብ ተፀባዪ ኮይነ ክተርፍ እየ። በዚ ኵነታት ከኣ ኣብ ትምህርቲ ክዕወት ኣይክእልን ብዝብል ስራሕ ጀሚረ፡\" ይብል። ኣብቲ እዋን ግን ስራሕ ንምጅማር ዘኽእል ገንዘብ ዘይኮነስ ዓቕሚ ከምዝነበሮ ዝዛረብ ኣቶ ጀማል፡ ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት ዝርከብ ሆቴል፡ ወርሓዊ 50 ሽሊን እናተኸፈሎ ክሰርሕ ጀሚሩ። \"ሽዑ ከዋህልል ጀሚረ። ኣብ ሆቴል እናሰራሕኩ ደሞዘይ ሽድሽተ ሽሕ ሽሊን በጺሑ። እናዋህለልኩ ገንዘብ ምስ ሓዝኩ ድማ፡ ናይ ባዕለይ ስራሕ ጀሚረ፡\" ክብል ኣብ ሓጺር እዋን ናብ ናይ ንግዲ ስራሕ ከምዝኣተወ የረድእ። \"ሎሚ ድኳን ኣለኒ፣ ቤት ምግቢ ኣለኒ። ንኻልኦት ሰባት እውን ኣብ ምሕጋዝ እርከብ። ዝዀነ ነገር ዘይብሎም ሰባት ኣብዚ ምሳይ እናሰርሑ ምሳይ ይነብሩ ኣለዉ። ኣብዚ እዋን ምስሳይ እናሰርሑ ዝነብሩ ሽድሽተ ስደተኛታት ኣለዉ፡\" ይብል። ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣብ ቀንዲ መዓስከራት ስደተኛታት ኬንያ ንዓመታት ኣብ ከቢድ ኵነታት ክነብሩ ጸኒሖም እዮም።\\n\\nመንግስቲ ኬንያ ንመዓስከራት ስደተኛታት ካኩማን ዳዳብን ከምዝዓጹ ምስ ኣፍለጠ፡ ህይወቶም ናብ ዘይምርግጋእ ከም ዝኣተወን ስነልቦናኦም ከምዝተጐድአን ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ቅድም ክብል ንቢቢሲ ገሊፆም ነይሮም።\\n\\nዳዳብን ካኩማን፡ ዝሓሸ ውሕስነት ንምርካብ ብዝብል ካብ ሃገሮም ዝተሰደዱ ብዙሓት ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ዝነብሩሉ መዓስከራት ስደተኛታት'ዩ።\\n\\nመንግስቲ ኬንያ እዞም መዕቈቢታት ጠንቂ ስግኣት ሃገራዊ ድሕንነት ስለዝኾኑ ብምባል ብተደጋጋሚ ከምዝዓጽዎም'ኳ እንተገለጸ፡ ብግብሪ ከይፈጸሞ ጸኒሑ'ሎ።\\n\\nኣብ ዝሓለፈ ዓመት መጋቢት፡ መንግስቲ ኬንያ እቶም መዓስከራት ኣብ ውሽጢ 14 መዓልታት ክዕጸዉ ሓቲቱ እንተነበረ'ውን ዝተወስደ ስጕምቲ ግን የለን።\\n\\n\"መንግስቲ እቶም መዓስከራት ክዕጸዉ ኣለዎም ክብል ከሎ፡ ኣዝየ እስምብድ\" ዝብል ኣቶ ጀማል፡ \"ሞራለይ ተተንኪፉ፣ በዚ ምኽንያት ድማ ንነዊሕ እዋን ክጸንሕ ዝኽእል ኣቝሑ ካብ ወጻኢ ምእታው ኣቋሪጸ። ከመይሲ ቀጺሉ እንታይ ከም ዝኸውን ስለ ዘይንፈልጥ። ንዓይ ዓቢይ ብድሆ እዩ ኰይኑኒ” ክብል ስግኣቱ ሎሚ'ውን ከምዘሎ የረድእ።\\n\\nወሲኹ፡ \"መብዛሕትና ኣብ ንግዲ ዝነበርና ክንዓቢ ንኽእለሉ ብዙሕ ዕድላት ነይሩና። ውሳነ መንግስቲ ምስ ሰማዕና ግን ንድሕሪት ተመሊስና፡\" ክብል ሓሳቡ ይገልጽ።\\n\\nኣቶ ኣልዩ፡ እዚ ውሳነ መንግስቲ ኬንያ፡ ናብራኦም ተረጋጊኦም ከይመርሑ ከምዝገበረ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ኬንያ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ንዝካየድ ምርጫ ኣብ ምድላው ትርከብ።\\n\\nዝተፈላለዩ ሕጹያት ናይቲ ምርጫ ጐስጓስ ንምክያድ ናብ ካኩማ እንተመጽኡ'ኳ፡ ጉዳይ ስደተኛታት ግን ዛዕባ ኮይኑ ክለዓል ከምዘይሰምዑ ኣቶ ኣልዩን ኣቶ ጀማልን ይዛረቡ። ኣቶ ኣልዩ ካብዚ ምርጫ እንታይ ከምዝፅበ ክገልጽ እንከሎ፡ \"መንግስቲ ኬንያ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት እንተዘየመሓይሹ ኵነታትና ኣዝዩ ኣብ ዘሻቕል ደረጃ ክበጽሕ እዩ\" ይብል።\\n\\n“ኵነታት እንተዘይተመሓይሹን ሃገርና ሰላም እንተዀይናን ሓደ ለይቲ ኣይንሓድርን ኢና። ሕጂ ግን ሃገርና ኣብ ከቢድ ኵነታት እያ ዘላ። ዕድል እንተረኺብና ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክንከይድ ኢና። ኣብዚ ኣሪግና ተስፋ ቀቢጽና'ለና” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።\\n\\nኣቶ ጀማል ብወገኑ “ጐስጓስ መረጻ ዘካይዱ ሰባት ናብዚ ክመጹ ከለዉ፡ ጉዳይና ኣየልዕሉን እዮም። መንግስቲ'ውን እቶም መዓስከራት ናይ ምዕጻው መርገጺኡ ቀይሩን ኣይቀየረን ንጹር ኣይኰነን ዘሎ። እቲ ውሳነ ዓመት'ኳ እንተመልኦ፡ እንታይ ክፍጠር ከምዝኽእል ኣይንፈልጥን ኢና” ይብል።\\n\\nናይ ምድማጽ መሰል'ኳ እንተዘሃለዎም፡ እቲ ዝመጽእ ሓድሽ ምምሕዳር ነዚ መርገጺ ክቕይሮ ይኸውን'ዩ ብዝብል ተስፋ ይገብሩ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cllj88gr6n5o"} {"headline":"ስለምንታይ'ዩ መረጻ ኬንያ ገዚፍ ወጻኢታት ዝግበረሉ ዘሎ?","content":"ኬንያ፡ እቲ ድሕሪ ሒደት ሰሙናት እተካይዶ መረጻ፡ ብመንጽር ወጻኢታት እንክርአ፡ ካብቲ ዝሃብተማ ሃገራት ዝገብራኦ ንላዕሊ ብዙሕ ወጻኢታት ዝተገብረሉ እዩ። እዚ ዅሉ ወጻኢታት ግን ስለምንታይ?","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cxrye6reyweo"} {"headline":"ዘተ መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን ድሕሪ መረጻ ኬንያ ክጅመር ከምዝኽእል ተገሊጹ","content":"ኣብ ሞንጐ መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን ዝግበር ዘተ፡ ድሕሪ ወርሒ ነሓሰ ክጅመር ተስፋ ከም እትገብር ሓንቲ ላዕለወይቲ በዓልቲ መዚ ኣሜሪካ ተዛሪባ። ሞሊ ፊ፡ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ብሽምግልና ንምፍታሕ ወሳኒ እጃም ኣብ ዘለዋ ኬንያ ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝካየድ ምርጫ ከም ዝጅመርን ንኮሚቴ ባይቶ ሃገራ ከም ዝተዛረበትን ሓቢራ። ኣብ ኬንያ፡ 9 ነሓሰ 2022 ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክካየድ እዩ። ኣመሪካ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኬንያን እቲ ኲናት ደውው ንምባል ድርድር ንኽጅመር ዝተፈላለዩ ጻዕርታት ክገብሩ'ኳ እንተጸንሑ፡ እቲ ኲናት ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራ ኣስዒቡ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ምስ መራሕቲ ትግራይ ዝግበር ዘተ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክካየድ ድልየት ከም ዘለዎ ክገልጽ እንከሎ፡ መራሕቲ ትግራይ ግን እቲ ድርድር ብመሪሕነት እቲ ግዜ መዝነቱ ዝውድእ ዘሎ ፕረዚደንት ኬንያ፣ ኡህሩ ኬንያታ ክካየድ ከም ዝደልዩ ክገልጹ ጸኒሖም። ኣብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ላዕለወይቲ ዲፕሎማት ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝዀነት ሞሊ ፊ፡ ንኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ባይቶ ኣሜሪካ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፡ እቲ ኣብ ኬንያ ዝካየድ መረጻ ግዜ ሰሌዳ እቲ ድርድር ከየዛብዖ ኣይተረፈን ኢላ። ወሲኻ፡ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ዝተፈላለያ ሃገር ምብጻሕ ዝጀመረ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር፡ “እቲ ድርድር ንቕድሚት ንኽስጕም ኣሜሪካ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ምስ ክልቲኦም ወገናት ክዛተ’ዩ” ክትብል ተዛሪባ። ኣብዚ ሰሙን ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ጋዜጠኛታት መግለጺ ዝሃበ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ምስ መንግስቲ ንዝግበር ዝርርብ ቅድመ ዅነትን ግዜ ገደብን ከም ዝተቐመጠ ተዛሪቡ ነይሩ። ቅድሚ እቲ ዝርርብ ምጅማሩ ድማ፡ ዝተቛረጹ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱ ከም ዘለዎም ብምግላጽ ኣብቲ ዝተቐመጠ ግዜ ገደብ እንተዘይጀሚሮም ግን ኲናት ክጅምር ከም ዝኽእል ገሊጹ። ትማሊ ሓሙስ ምስ ልኡኻት ሕቡራት መንግስታት፡ ሕብረት ኤውሮጳን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን ዝተዘራረቡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጲያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን ሚኒሰተር ፍትሒ ጌዲዮን ጢሞቲዎስን፡ እቲ ዘተ ብዘይቅድመ-ዅነት ዘተ ክጅመር ከም ዝግባእ ኣዘኻኺሮም። ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣምባሳደራትን ጕጅለ ፍሉይ ልኡኽን ናብ መቐለ ንኽኣትው ከም ዘፍቀደ ኣምባሳደር ሬድዋን ገሊጹ። ድሕሪ እዚ ግን መራሕቲ ህወሓት ዝሃብዎ ርእይቶ የለን። ኣሜሪካ፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ናይ ቪዛ እገዳ ክትገብር እንከላ፡ ንኢትዮጵያ'ውን ካብቲ ሃገራት ምህርታተን ብዘይ ቀረጽ ናብ ኣሜሪካ ከእትዋ ዝፈቅድ ተጠቃምነት ኣጐዋ ሰሪዛታ እያ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c512g935kkjo"} {"headline":"ፖለቲከኛታት ኬንያ፡ ቀልቢ መረጽቲ ንምዕዳግ ሽቓቕ ከጽርዩን ሓምሊ ክቕርድዱን ይረኣዩ","content":"ገለ ኬንያውያን ፖለቲከኛታት፡ ንሒደት ደቓይቕ’ውን እንተዀነ ካብቲ ምቾት ዝመልኦ ኣነባብራኦም ርሕቕ ኢሎም፡ ኣብ ሞንጐ እቲ ዘካይዱዎ ዘለው ጐስጓስ ምርጫ ሽቓቕ ከጽርዩ፡ ኣብ ዕዳጋ ኣሕምልቲ ክሸጡን ክቕርድዱን፡ ሻሂ ከፍልሑን ካልእን ተራእዮም። እቲ ምርጫ፡ ዝመጽእ ሰሙን 9 ነሓሰ 2022 እዩ ክካየድ። ትማሊ ድማ ፖለቲከኛታት ጐስጓስ ምርጫ ወዲኦም ኣለው። ካብኣቶም ሓደ፡ ፖሊካርፕ ኢገት ሓድሽ ጓንትን ጫማን ቀይሩ ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ሓደ ሽቓቕ ከጽሪ እንከሎ፡ እተን ሰራሕተኛታት ነቲ ዝኣረገ መኾስተራተን ሒዘን፡ ነቲ 20 ካልኢት ዘይመልኣ ግዜ ሽቓቕ ከጽሪ ብኣግራሞት ርእየናኦ። እዚ፡ “ንነዊሕ ግዜ፡ ከም ረሳሕ ስራሕ ዝቝጸር’ኳ እንተነበረ፡ ሓላፍነት ዘለዎ ስራሕ’ዩ” ክብል ተዛሪቡ። ኢገት፡ ኣመሓዳሪ ከተማ ናይሮቢ ንምዃን ዝወዳደር ዘሎ ኰይኑ፡ መኪና እናሓጸበ፡ ሙዚቃ እናጻወተን ኣብ ኣብያተ ትልሂት ኣልኮላዊ መስተ እና'ሳሰየ ተራእዩ። ነዚ ስዒቡ፡ ገሊ ሰባት 'ሕጂ ኸኣ ቈልዓ እንተዝናቢ፣ ስራሕ ገዛ እንተዝዓዪ' እናበሉ ከባጭውሉ ይስምዑ። ኢገት፡ ኣብ እዋን ምምሕዳር ማይክ ሶንኮ ምኽትል ኣመሓዳሪ ነይሩ፤ እንተዀነ እቲ ኣመሓዳሪ ኣብ ምሕደራኡ እምነት ክረክብ ከም ዘይክኣለ ብምግላጽ፡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘይመልአ ግዜ ካብ መዝነቱ ወሪዱ። ተንተንቲ ፖለቲካ ግን፡ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ናይ ህዝባዊ ርክብ ምንቅስቓሳት፡ መረጽቲ ዝለመዱዎም ተግባራት ስለ ዝዀነ ብዙሕ ጽልዋ የብሎምን፡ ይብሉ። ጆንሰን ሳካጃ፡ መነሓንሕቲ ኢገት እዩ። ንሱ’ውን ኣይሓነኸን፤ ኣብ ጐደናታት እታ ከተማ መግቢ ካብ ዝሸጡ ሰባት ዓሳ፡ ኮሚደረን ሽጉርትን እናዓደገ ተራእዩ። ሳካጃ፡ ካብ 2017 ጀሚሩ ሴናተር ናይሮቢ ኰይኑ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ንፈለማ እዋን ኣመሓዳሪ እታ ዓባይ ከተማ ንምዃን ይወዳደር ኣሎ። ነባሪት ናይሮቢ ኣኔ ዋመቡይ፡ ፖለቲከኛታት ክሳብ ጐስጓስ ዝጅምሩ ዕዳጋታት ይዅን ካልእ ኣበይ ምህላው'ውን ኣይፈልጡዎን'ዮም ብምባል ትነቅፍ። “ንሕና ኣብዛ ከተማ ንምንባር ንቃለስ፤ ክንመርጾም ክደልዩ እንከለው ክኣ ሓደ ኣብ ክቡር ቦታታት ዝዕድግ ሰብ [ናብ ዕዳጋና] መጺኡ ንኸምስል ይዕድግ” ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ። ኣባል ባይቶ ከተማ ኪሚሊሊ ዲድማስ ባራሳ’ውን፡ ቀልቢ መረጽቲ ንምስሓብ ነታ ኣዝያ ብርቂ ዝዀነት መኪናኡ ገዲፉ ኣገልግሎት ታክሲ ኣብ እትህብ ሞተርሳይክል -ቦዳ - ተሰቒሉ ክኸይድ ተራእዩ። ኣብ ልዕሊ መኪናኡ ተሰቒሉ ናብ ዝነበረ ዓረቢያ ኢድ ደይቡ’ውን ጐስጓስ ምርጫ ይገብር ነይሩ። እታ ዓረቢያ ምልክት እቲ ዝውክሎ ሰልፊ ኰይና፡ ቀንዲ ትዅረቶም መናእሰይ ክመርጹዎም ንምግባር እዩ። ብተወሳኺ ባራሳ፡ ምስ ድኻታት ሻሂ ክሰቲ ተራእዩ። ካልኦት ኣሳእል ድማ፡ ሓንቲ ጓል 67 ዓመት ሰበይቲ ናብ እትነብረሉ ካብ ዕንጸይትን ጭቃን ዝተሰርሐት ገዛ ብምኻድ ሓዊ ኣሳዊሩ መግቢ ከብስል የርእዩ። ይዅን’ምበር፡ ነዚ ብምግባር ንኹሉ ከሰንፎ ኣይክኣለን፤ ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣዝዮም ሕማቓት ርእይቶታት ክህቡዎ ተራእዮም። ኣብ ምዕራብ ኬንያ ዳግም ዝወዳደር ዘሎ ሴናተር ነበር ቦኒ ክሃልዋሌ ድማ፡ ናብቶም ጫማ ጸሪጐም ናብራኦም ዝመርሑ ሰባት ብምኻድ ጫማኡ ከጽርዩሉ ሂቡዎም። ክሳብ ዝውድኡ ክኣ ዝተጠበሰ ዕፉን ይበልዕ ነይሩ። ነቲ ዝተስኣሎ ስእሊ \"Kazi ni Kazi\" [ኵሉ ስራሕ ኣገዳሲ’ዩ] ኢሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ምስ ጠቅዖ፡ ብዙሓት ተቓውሞ ዝገልጹ ርእይቶታት በጺሖምዎ። ኣባል ባይቶ ኢምባካሲ ዌስት ጆርጅ ተሪ ክኣ፡ “ኣብ ቍሸተይ ዘሕልፎ ነፍሲ ወከፍ ግዜ ይፈትዎ ኣለኹ” ብምባል ጥራሕ እግሩ እናኸደ ዝተስኣሎ ስእሊ ለጢፉ። ቅድሚ ሓሙሽተ ወርሒ፡ ሴናተር ኣይዛክ ሙዋራ፡ ኣባል ባይቶ ናይሮቢ ንምዃን ኣብ ዝወዳደረሉ ግዜ፡ ናብቶም ኣብ ጐደናታት ኣሕምልትን ኮሚደረን ዝሸጡ ሰባት ብምኻድ ሓምሊ ክቕርድድ ተራእዩ ነይሩ። ሽዑ፡ ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝርከቡ ነጋዶ ዝሓልፍዎ ዘለው ህይወት ንምርዳእ’የ ከምኡ ገይረ ክብል ተዛሪቡ። “ብዘሕዝን መልክዑ . . . ክሳብ ሕጂ ሓምሊ ዝሸጡ ኣቦታትን ኣደታትን ኣይትፈልጦምን። ነዚ ሓቂ ንኽትፈልጥ ናይ ምርጫ ዓመት ወሲዱልካ” ክብል ሓደ ተጠቃሚ ማሕበራዊ ሚዲያ ነቒፍዎ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cekn35nzlvko"} {"headline":"ተመኵሮ ኬንያ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ናጻን ፍትሓውን መረጻ ክካየድ ከም ዝኽእል ተስፋ ዝህብ'ዩ' - ፕሮ. መረራ","content":"ኣቦ መንበር ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረንስ [ኦፌኮ] ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያ ካብ መረጻ ኬንያ ተመኵሮ ክወስዱ ይግባእ፣ እዚ ተመኵሮ ኬንያ፡ ፖለቲካዊ ድልየት እንተሃልዩ ኣብ ኣፍሪቃ’ውን ናጻን ፍትሓውን ምርጫ ምክያድ ከም ዝከኣል ተስፋ ዝህብ'ዩ፡ ኢሉ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝ፡ ፕረዚደንት ነበር ዶክተር ሙላቱ ተሾመን ፕሮፌሰር መረራ ጉዲናን ተዓዘብቲ ናይቲ ብሰሉስ ዝተኻየደ ሃገራዊ መረጻ ኬንያ ኰይኖም ተሳቲፎም ነይሮም። ነዚ ስዒቡ ክሳዕ ሕጂ ቈጸራ ድምጺ ዝካየድ ዘሎ ኰይኑ፡ ኮሚሽን መረጻ እታ ሃገር ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልቲ ውጽኢት ዕላዊ ክሳብ ዝገብር፡ ኬንያውያን ብሃንቀውታ ይጽበዩ ኣለዉ። “እቲ ውጽኢት መረጻ ከመይ ከም ዝቕበልዎ ኣብ ዝመጽእ ንርእዮ ጉዳይ ኰይኑ፡ ፖለቲካዊ ድልየት እንተሃልዩ ግን ኣብ ኣፍሪቃ’ውን ናጻን ፍትሓውን መረጻ ምክያድ ይክኣል’ዩ ዝብል እምነት ኣሕዲሩለይ እዩ። መራሕትና ዝነበሩ’ውን ኣብዚ ስለዘለው፡ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም ነዚ እንተዘምህሩልና ጽቡቕ’ዩ፡” ኢሉ። ንሱ ወሲኹ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ መንእሰይ ኰይኑ ኣብ ግዜ እቲ ንጉሳዊ ስርዓት ይዅን ደርግ መረጻ ዝመስል ተኻይዱ ከምዝፈልጥ ይዝክር። እንተዀነ ይብል ዶ\/ር መረራ፡ “ ብዘይካ እቲ ኣብ 1997 ዓ.ም ዝተኻየደ መረጻ፡ ኣብ ኢትዮጵያ መረጻ ዝበሃል ተኻይዱ ኣይፈልጥን። ምርጫ ማለት ኵሉ ነገር ክዕረ ኣብ ዝፍትን ሜዳ ኴንካ ምውድዳር ማለት እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ግን መረጻ ዝበሃል ተኻይዱ ስለ ዘይፈልጥ ምስዚ ናይ ኬንያ ተወዳድሮ ኣይኰነን” ብምባል ነቒፉ። ዜጋታት ኬንያ፡ ንሕሉፍ ተመኵሮኦም ኣብ ግምት ብምእታው፡ ውጽኢት እዚ መረጻ ብልዑል ሃንቀውታ ዝጽበይዎ ዘለው ጉዳይ እዩ። ብ2007 ዓ.ም [ኣ. ኤ] ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ መረጻ ምትልላል ተፈጺሙ’ዩ ብዝብል ክሲ ዝተላዕለ ጐንጺ፡ ብውሕዱ 1200 ሰባት ክሞቱ እንከለው ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም። ብ2017 ድማ፡ እቲ ውጽኢት ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዘምርሕ ድሕሪ ምግባሩ፡ ውጽኢት ብቤት ፍርዲ ውዱቕ ተገይሩ ዳግም ፕረዚደንታዊ መረጻ ከም ዝተኻየደ ይፍለጥ። ድሕሪኡ፡ እቶም መረጻታት ብቴክኖሎጂ ዝተገደፉ ክዀኑ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ተሓለቕቲ መሰላትን ጸቕጢ ክገብሩ ብምጽንሖም፡ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ከምዝኸውን ተገይሩ'ዩ። ሰብ መዚ መረጻ ድማ፡ ውጽኢት ብጥንቃቐ ክሕዝዎ ልዑል ጻዕሪ ይገብሩ ከምዘለዉ ይዝርብ። ነዞም ምዕባለታት ዝተዓዘበ ፕሮፌሰር መረራ፡ እዚ ተመኵሮ ኣብ ኢትዮጵያ’ውን ክትኣታቶ ከም ዝብህግ ይዛረብ። “ካብዚ እንምሃሮ ኣገዳሲ ነገር፡ ፖለቲካዊ ድልየት ምህላው፡ ነጻን ፍትሓውን መረጻ፡ ማዕረ ሜዳ፡ ብዘይ ዝዀነ ጸቕጢ ኣብ መረጻ ኣቲኻ ምውጻእ፡ ብዘይ ዝዀነ ጸቕጢ ህዝቢ እንተደልዩ ክመርጽ ወይ ክገድፎ ዝኽእል ምዃኑ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሕማም፡ መራሕትና ፖለቲካዊ ቈራጽነት የብሎምን። ምርጫ ይብሉ እሞ፡ 'ንሕና እንተዘይተመረጽና' ናብ ዝብል ወጠጥ ይኣትው” ይብል። እቶም ፖለቲካዊ ውድባት’ውን ሓሓሊፉ ከምኡ ዓይነት ጐነጻዊ ባህሪ ከም ዘለዎም ይኣምን። ፕሮፌሰር መረራ ወሲኹ፡ “ብብረት ይዅን ብገንዘብ ኣነ ክምረጽ ኣለኒ ዝብል ኣንፈት ሰላምን ርግኣትን ከምኡ’ውን ዲሞክራሲ ኣየምጽእን። ኣብ ውሽጢ ቅልውላው ክንነብር እንከለና፡ ካብ ሓደ ቅልውላው ናብ ካልእ ስለ ዝኸውን ካብ ናይ ምቅትታል ፖለቲካ ናብ ብዝርርብ ዝኣምን ፖለቲካ ክንኣቱ ኣለና” ኢሉ። ኣብ ኢትዮጲያ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦትን ፈለማ ወርሒ ሰነን 2013 ዓ.ም [ግእዝ]፡ ብዘይካ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ መበል ሻድሻይ ሃገራዊ መረጻን ምክያዱን ውድብ ብልጽግና ምዕዋቱን ዝዝከር እዩ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cprlwvxw8zqo"} {"headline":"ስለምንታይ'ዩ፡ ዓሌትነት ኣብ ምርጫ ኬንያ ጽልዋኡ ዝሃስስ ዘሎ?","content":"ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ፡ 9 ነሓሰ ክካየድ እዩ። ዓሌታዊ ምክፍፋል ንፖለቲካ እታ ሃገር ኣበላሽይዎ ጸኒሑ እዩ፤ እዚ ምትፋናን ግን፡ ኣብዚ እዋን \"ይቕየር ምህላው ምልክታት ኣለው\" ይብል፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ዲከንስ ኦሌዊ። ንግሆ፡ 20 ጥሪ 1994 [ኣ. ኤ] ናብ ትምህርተይ ክኣቱ እንከለኹ ተመሃሮ የባጭው ነይሮም። እቲ ዅሉ ዝበልዎ ኣይዝክሮን፤ ግን ሓደ ነገር ኣብ ውሽጠይ ተቐሪጹ ተሪፉ። ሓደ ወዲ ክፍለይ “ጐይታኹም ሞይቱ” በለኒ። ፈላማይ ምኽትል ፕረዚደንት ኬንያ ጃራሞጃ ኦዲንጋ ኦዲንጋ፡ ሞይቱ። ተመሃሮ መባእታ ቤት ትምህርቲ ስለ ዝዀንና፡ ብዛዕባ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ፖለቲካ ይርድኣና ነይሩ። ስለዚ፡ እቲ መማህርተይ’ውን ሞት ኦዲንጋ ኦዲንጋ ንሕብረተሰብ ሉዎ ዓቢይ ፖለቲካዊ ክሳራ ምዃኑ ተረዲእዎ እዩ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጥም ዓሌት መሰረት ዝገበረ ባጫ ልሙድ ኣይኰነን፤ እዚ ኣብ መምሃሪ ክፍሊ ከይተረፈ’ዩ ዝስትውዓል። ገለ መምህራን፡ ንገለ ባህርያት ተመሃሮ ንምምጓስ ወይ ንምንቃፍ፡ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ርእይቶታት ክህቡ ይስምዑ። እዚ፡ ኣብ ዝነበረን ዘሎን እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ከም ዘይጓዳእ ዋዛ ተገይሩ ይውሰድ፤ ሓሓሊፉ ግን ኣሉታዊ ኣይኸውን። ካልእ ንዓይ ዝገረመኒ፡ ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት ዘጋጠመኒ ተጓንፎ’ዩ። ኣብ ናይሮቢ ድኻታት ስድራቤታት ንምሕጋዝ ወለንታዊ ኣገልግሎት ምሃብ ኣብ ዝጀመርኩላ ፋልመይቲ መዓልቲ፡ ሓንቲ ጓል ኣርባዕተ ዓመት ህጻን መጺኣ፡ “ቀቢላኻ እንታይ’ዩ?” ኢላ ብቛንቋ ስዋሂሊ ትሓተኒ። ብምላሸይ ኣይተሓጐሰትን። ደሓር ከም ዝተረድኣኒ፡ ናተይ ዓሌት ኣብ መንጐ መሳቱኣ ሓያል ክትዕ ዘልዓለ ነይሩ። ህንጡይነት እታ ቈልዓ ጽቡቕ’ዩ፤ ግን ክኣ ኣነ ኣይተበርሃንን። ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ጕዳያት፡ ከምዚኦም ዝበሉ ሕቶታት ክጽየፎም ከም ዘለኒ ኣምሂሮምኒ’ዮም። እቲ ዝምልሰላ መልሲ’ውን ንዓኣ እንታይ ዓይነት ትርጕም’ዩ ክህባ ዝብል ኣጨኒቑኒ ነይሩ። ፖለቲካ ኬንያ፡ ኣብ መንጐ እቶም ልዕሊ 40 ብሄራት ብዘሎ ንሕንሕ ተዓብሊሉ'ዩ ጸኒሑ፤ ብፍላይ ክኣ ኣብ መንጐ እቶም ዓበይቲ ዝበሃሉ ብሄራት። ፖለቲከኛታት ኣብ ምርጫ ንምዕዋት፡ ወትሩ ነቲ ኣብ መንጐ ህዝብታት ዘሎ ታሪኻዊ ቂምን ባህላዊ ፍልልይን ተበሊጾም ጐነጽ ክልዓል ይገብሩ። እዚ ስትራተጂ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ዀይኑ፡ ኣሰካፍቲ ሳዕቤናቱ ልሙዳት ኰይኖም ኣለው። ኣብ ኬንያ፡ ብብሄራዊ መንነት ሓለፋ ከውህብ ጸኒሑ፤ ሓሓሊፉ ስራሕ ንምርካብ፡ ኣብ ምርጫ ድምጺ ንምርካብ ዋላ’ውን ኣብ ስልጣን ንዘሎ ውልቀሰብ ንምርካብ ከም ረቛሒ ተገይሩ ይውሰድ። እዚ፡ ኣብ ልዕሊ 'ቲ ሓፋሽ ተሰካሚ 'ዚ ኣደራዕ፡ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ክፈጥር እንከሎ፡ ነቶም ካብኡ ዝርብሑ ድማ ስልጣን ኰይኑ ካልኦት ንምንሻውን ንምህዳድን ከም ኣጽዋር ኰይኑ ኣገልጊሉ’ዩ። ኣብ መወዳእታ ግን፡ ፖለቲካ ድምር ውጽኢት ባዶ-ጸወታ ኰይኑ። ኬንያ፡ ኣብ እዋን ምርጫ 2007 እቲ ዝኸፍአ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ግጭት ርእያ’ያ። ኣብቲ እዋን ልዕሊ 1500 ሰባት ተቐቲሎም፤ ኣማኢት ቈሲሎም። 600 ሽሕ ሰባት ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም። እዚ፡ ምናልባት ኬንያ ድሕሪ ናጽነት ዝርኣየቶ እቲ ርእስኻ ዘትሕት ጐነጽ ክኸውን ይኽእል እዩ። እታ ብተዛማዲ ሰላማዊት ዝዀነት፡ ንኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ዑቕባ ዝሃበት ሃገር ንርእሳ ቀጺዓ። በሰላኡ ሕጂ’ውን ኣሎ። ኣብቲ ናይ ሽዑ ግዜ ምርጫ፡ ገለ ስድራቤታት ክበጽሖም ንዝኽእል ሃሰያ ሰጊኦም፡ ናብቲ ንዖኦም ዝመስሉ ዓሌት ዝነብሩሉ ከባቢታት ግዒዞም። እቶም፡ ምስ ካልእ ብሄር ዝተዋሰቡ መጻምዲ ግን ናበየናይ ብሄር እንተኸድና ኢና ንድሕን ኣብ ዝብል መዋጥር ኣትዮም። “ኬንያ፡ ንድሕሪት 50 ዓመታት ዝኸይድ ዘይተፈትሑ ዘሕዝኑ ታሪኻዊ ቁጥዐታት ኣለውዋ። እዚ ሓሓሊፉ ጐንጺ ዘልዕል ኰይኑ ፖለቲከኛታት ክኣ ኣብ መንጐ እቲ ሕብረተሰብ ፍርሒ ንምእታው ነዚ ይጥቀምሉ” ይብል ኮሚሽነር ኮሚሽን ጥምረትን ውህደትን ሳም ኮና። ወሲኹ፡ “ሰባት እዚ ኣብ መንጐ ፖለቲከኛታት ዘሎ ናይ ስልጣን ክርፍስ’ዩ ኢሎም ኣይርእይዎን፤ ኵሉ ምስ ተወድአ ንሳቶም ይተዓወቱ ኣይተዓወቱ ብሓባር ኰይኖም ክቕጽሉ’ዮም” ኢሉ። ኣብዚ ናይ ሎም ዘበን ምርጫ ስግኣት ኣለወን ኢሉ እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘነጸረን ሽዱሽተ ምምሕዳራት፡ ኣብ መንጐ ሕብረተሰብ ዝርአ ዘሎ ወጥሪ፡ ብሰንኪ “ዕርቂ ንምውራድ ዝተኸስሩ ዕድላት” ዝመጽአ እዩ ክብል የረድእ። ኬንያ ብ2010፡ ሓድሽ ሕገ መንግስቲ ዘጽደቐት ኰይና፡ ብኡኡ ድማ 47 ምምሕዳራት ተፈጢረን። በዚ መሰረት፡ ኵለን ምምሕዳራት ብማዕረ ከም ዝትሓዛ፡ ማዕረ ሃገራዊ ባጀት ከም ዝምደበለን ቃል ተኣትዩ። “ይዅን’ምበር፡ ብዙሓት ኬንያውያን እቲ ፕረዚደንታዊ መሪሕነት ምንጪ ስልጣን ጥራይ ይኸውን ኣሎ ኢሎም’ዮም ዝርእይዎ - እዚ ከኣ ወጥሪ ክህሉ ገይሩ” ብምባል እቲ ኮሚሽን ስግኣት ኣብ ዘለወን ከባቢታት ሰላም ንምምጻእ ጻዕሪ ከም ዝገበረ ኮና ተዛሪቡ። ክኢላ ምሕደራ ጆን ጊቶንጎ፡ ኣብ እዋን ምምሕዳር ሙዋይ ኪባኪ [ኵኪዩ] ዝነበረ ሰፊሕ ብልሽውና ምስ ተቓልዐ፡ ብገለ ኣባላት ኵኩዩ ከም ከሓዲ ተቘጺሩ ምፍርራሓት ስለ ዝበጽሖ ብ2005 ካብታ ሃገር ወጺኡ ናብ ስደት ኣምሪሑ። ኮና ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ተወዳዳሪ ምርጫ እዚ ዓመት ኰይኑ ዘሎ ምኽትል ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፡ ብቐንዱ እቲ ንሕንሕን ኣብ ሞንጐ “ስርወ ንግስነታዊ ቤተሰብ”ን “ጻዕራማት”ን እዩ ብዝብል መልክዕ ስለ ዘትሓዞ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዝነበሩ ጐስጓሳት መርጫ ዝተራእየ ዓሌታዊ ምልዕዓል ኣዝዩ ትሑት ከም ዝዀነ ይዛረብ። ንርእሱ ንድኻታት ኬንያውያን ዝውክል “ጻዕራም” ገይሩ ዝወስድ፡ ወዱ ንፈላማይ ምኽትል ፕረዚደንት ኬንያ ዝነበረ ጀርሞጊ ኦዲንጋ፡ ራይላ ኦዲንጋ፡ እዚ ኬንያውያን ብደረጃ መነባብሮኦም ንምክፍፋል ዝዓለመ’ዩ ብምባል ክነቕፎ እንከሎ፡ ኣብ ዘካየዶም ጐስጓሳት መልእኽታት ሓድነት ከሕልፍ ጸኒሑ እዩ። ክልቲኦም ተነሓናሕቲ፡ ኣብ ዙርያ ቍጠባን ማሕበራዊ ጉዳያትን ዘለዎም ፖሊሲታት ዝምልከት እንካን ሃባን ተበሃሂሎም’ዮም። እዚ ምርጫ፡ ኣዝዩ ልዑል ናህሪ ዋጋታት ሃለኽቲ ኣቝሑ፡ ልዑል መጠን ሽቕለት ኣልቦነትን ገዚፍ ሃገራዊ ዕዳን ኣብ ዘለወሉ ግዜ’ዩ መጺኡ ዘሎ። ቅድሚ ሒደት ሰሙናት፡ ፕረዚደንት ኡህሩ ኬንያታ ቀንዲ መግቢ እዚ ሃገር ዝዀነ ‘ኡጋሊ’ ንምድላው ዝውዕል ሕሩጭ ዕፉን ዋጋኡ ክትሕት ውሳነ ሂቡ። ሩቶ ነዚ ኣመልኪቱ፡ እቲ ፕረዚደንት ነዚ ኣጋጣሚ ነቲ ኣብዚ ምርጫ ዝድግፎ ዘሎ ኦዲንጋ ንኽዕወት ኢሉ ዝገብሮ ዘሎ ድጋፍ’ዩ ይብል። ኣብ 2007፡ ኦዲንጋን ሩቶን ኣንጻር እቲ ፕረዚደንት ኬንያታ ዝድግፎ ዝነበረ ኪባኪ ደው ኢሎም ነይሮም እዮም። ኣብ ኬንያ ኣብ እዋን ምርጫ፡ ቀጽሪ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋኻ ምቕያር ልሙድ እዩ። ኣብቲ ኣብ 2007 ዝነበረ ዝኸፍአ ጐንጺ፡ ኣባላት ሩቶ ዝውለደሉ ዓሌት ካሌንጂን፡ ኣብ ልዕሊ ኬንያታ ዝውለደሉ ዓሌት ኵኪዩ መጥቃዕቲ ፈጺሞም’ዮም፤ ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ ብሄሮም’ዮም ተቐቲሎም። ይዅን’ምበር፡ ኣብ 2013 ከምኡ'ውን ኣብ 2017፡ ኬንያታን ሩቶን ኣንጻር ኦዲንጋ [ካብ ሉዎ ዝመጽአ] ጥምረት ገይሮም፤ ሕጂ ድማ ኬንያታ ንራይላ ይድግፍ ኣሎ። ኣብ ዓለምለኸ ጕጅለ ቅልውላው ዳይሬክተር ፕሮግራም ኣፍሪቃ ዝዀነ ሙሪቲ ሙቲጋ፡ “ኬንያውያን በቲ ኣብ መንጎ ፖለቲከኛታት ክርእዩዎ ዝጸንሑ ጥምረታት ተሰላችዮም’ዮም። እዚ ኸኣ ኬንያውያን እቶም ፖለቲከኛታት ናይ ባዕሎም ጸወታ እዮም ዝጻወቱ ዘለው ኢሎም ንኽርእዩ ገይሩዎም’ዩ” ኢሉ። ኣብ እዋን ምርጫ ዓሌታዊ ግጭታት ዝጐልሑ’ኳ እንተዀኑ፡ “ድሕሪኡ ግን ሰባት ንሓድሕዶም ይመራዓው’ዮም። እዚ ክኣ ኣብ መንጐ እቲ መንእሰይ ብዙሕ ጸገም ኣይኰነን። ፖለቲከኛታት ግን ኣብ ሓረግ ዓሌት ተሓንጊሮም የለዓዕሉ፡” ይብል።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv28lq3q43do"} {"headline":"ሓቅነት ክስታት ብልሽውና ሕጹያት ፕረዚደንት ኬንያ ክሳብ ክንደይ'ዩ?","content":"ቀዳማይ ሚኒስትር ኬንያ ነበር ራይላ ኦዲንጋ፡ ስልጣን ካብ ፕረዚደንት ኡህሩ ኬንያታ ንምውሳድ ሓያሎ ጐስጓስ መረጻ ክገብር ጸኒሑ ኣሎ። ኣብ ኵሎም መድረኻት ጐስጓሳትን ዘረባታትን ክኣ፡ ቀንዲ ትዅረቱ ብልሽውና ገይሩ ክዛረብ ይስማዕ። መነሓንሕቱ ምኽትል ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ’ውን ኣብዚ ምርጫ ከዐውቱዎ ዝኽእሉ ሓሳባት ከልዕል ጸኒሑ። ብፍላይ ኣብቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝተኻየደ ፈላማይ ክትዕ ተሌቪዥን ፕረዚደንታዊ ተነሓናሕቲ፡ ሽቕለት ኣልቦነት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ኣልዒሉ ነይሩ። ‘ሩቶ፡ ሕጹይ ምኽትል ተወዳዳሪ የብሉን፤ ምኽንያቱ [ሪጋቲ ጋቻጓ]. . . ኣብዛ ሃገር ብዝተፈጸሙ ከበድቲ ገበናት ቍጠባ ገበነኛ ተባሂሉ’ዩ’ ቤት ፍርዲ ብ28 ሓምለ ኣብ ዝነበሮ መጋብኣያ፡ ምኽትል ፕሬዝደንት ዊልያም ሩቶ ንምዃን ዝጕስጕስ ዘሎ ሪጋቲ ጋቻጓ 200 ሚልዮን ሽሊንግ [1.7 ሚልዮን ዶላር] ካበይ ከም ዝረኸቦ ከብርህ ስለ ዘይከኣለ ናብ መንግስቲ ክመልሶ ኣለዎ ኢሉ ነይሩ። ንሱ [ሪጋቲ]፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐርብ ዘሎ ጉዳይ ንኽቃወም ዕድል ከም ዘይተዋህቦ ብምግላጽ ይግባይ ክብል ምዃኑ ገሊጹ’ዩ። ራይላ ኦዲንጋ ግን፡ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኬንያ “ብገበን እንተ ተጠርጢርካ ንፕረዚደንታዊ መረጻ ኰነ ሕጹይ ምኽትል ኴንካ ክትወዳደር ኣይትኽእልን” ስለ ዝብል፡ ጋቻጓ ካብቲ ውድድር ክትወጽእ ኣለካ ክብሎ ጸኒሑ። “ይግባይ ክብል’የ ይብል፤ ግን ከኣ ተፈሪዱዎ’ዩ፤ ብዝቐረበሉ ክሲ ገበነኛ ተባሂሉ’ዩ” ይብል። ይዅን’ምበር፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ጋቻጓ ዝቐርብ ዘሎ ጉዳይ ብብልሽውና ዝተረኽበ ገንዘብ ናይ ምምላስ ሓላፍነት ብዘለዎ ኤጀንሲ መንግስቲ ዝቐረበ ጉዳይ ሲቪላዊ ጉዳይ እምበር ገበናዊ ጕዳይ ኣይኰነን። እቲ ሕገ መንግስቲ፡ ዝዀነ ውልቀሰብ ፕረዚደንት ወይ ምኽትል ፕረዚደንት ኰይኑ ዘይቀርበሉ ምኽንያት፡ እንተዀነ፡ “ዕድላት ሕቶ ይግባይ ወይ ውሳነ ቤት ፍርዲ ተጸንቂቘም እንተዘይተወዲኦም” ካብቲ ውድድር ወጻኢ ኣይትኸውንን ይብል። በዓል ሞያ ሕጊ ቦቢ ምካንጊ፡ እዚ “እቲ መስርሕ ይግባይ ኣብ መስርሕ [ከይዲ] እንከሎ” ዝዀነ ውልቀሰብ ኣብቲ ምርጫ ንኽወዳደር የፍቅደሉ’ዩ ኢሉ። ጋቻጓ፡ ካልእ ክሲ ገበን ብልሽውና'ውን ቀሪብሉ ኣሎ፤ ንሱ ግን እቶም ክስታት ይነጽጐም። ኦዲንጋ፡ ብ21 ሓምለ ኣብ ዝተመሓላለፈ ቃለ መጠይቕ፡ ዊልያም ሩቶ ደሞዙ ክልተ ሚሊዮን ሽሊን ኬንያ ኰይኑ እናሃለወ ንመድረኻት እቶት ምትእኽኻብ [ሃራምቤ] ኣብ ወርሒ ኣስታት 100 ሚሊዮን ሽሊን [840 ሽሕ ዶላር] ዝጽጋዕ ወጻኢ ይገብር ኢሉ። እንተዀነ፡ ብኸመይ ኣብዚ መጠን'ዚ በጺሑ ኣይንፈልጥን። ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ሩቶ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ምትእኽኻብ እቶት ተሳቲፉ’ዩ። ግን ክኣ ኣብ ኬንያ ዝዀነ ለጋሲ ብዛዕባ ዝህቦ መጠን ገንዘብ ወግዓዊ ክገብር ዘገድድ ሕጊ የለን። ጐስጓስ ምርጫ ምስ ተጀመረ ግን፡ ዝዀነ ሕጹይ ኣብ ተመሳሰልቲ መድረኻት ክሳተፍ ኣይፍቀደሉን። ሩቶ፡ ወጻኢ ገይርዎ ብዛዕባ ዝተባህለ ሃራምቤ ግን ንቤት ጽሕፈት ኦዲንጋ ሓቲትና፤ ምላሽ ኣይሃበን። ጋዜጣ ኬንያ ድማ፡ ወርሓዊ ደሞዝ ሩቶ 1.2 ሚሊዮን ሽሊንግ [10 ሽሕ ዶላር] ከም ዝዀነ ይገልጽ። ብተወሳኺ ሩቶ፡ ካልኦት ምንጪ እቶት ዝዀኑ ንግድን ወፍርን ከም ዘለውዎ ይፍለጥ፤ እንተዀነ ካብዚኦም ክንደይ ኣታዊ ይረክብ ዝብል ብወግዒ ዝፍለጥ ነገር የለን። ኦዲንጋ፡ ካብ 2008 ክሳብ 2013 ቀዳማይ ሚኒስትር ኰይኑ ኣገልጊሉ’ዩ። ኣብ 2010፡ መንግስቲ ድጐማ ዝገብረሉ ናይ ዕፉን ፕሮግራም ብልሽውና ተፈጺሙ። ኣብቲ እዋን፡ ክልተ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝሰርሑ ሰባት ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ሰበ ስልጣን መንግስቲ መርመራ ክግበረሎም ዝሕብር ጸብጻብ ወጺኡ። ኮሚሽን ጸረ-ብልሽውና ኬንያ፡ ናይ ባዕሉ ምጽራይ ድሕሪ ምክያድ ኣብ ልዕሊ እቶም ክልተ ዝተመልከቱ ሰባት መረዳእታ ክረክብ ከም ዘይክኣለ ብምግላጽ እቲ ጉዳይ ክዕጾ ኣለዎ ኢሉ። እቶም ሰራሕተኛታት ድማ ድሕሪ ሓደ ዓመት ናብ ስርሖም ተመሊሶም። ብኻልእ ወገን፡ ኣብዛ ሃገር ዘሎ ሽቕለት ኣልቦነት ንምቅላስ ዝቐንዐ ብባንኪ ዓለም ዝሕገዝ ፕሮጀክት ዝተሓሓዝ ክትዕ ተላዒሉ። ኣባላት ባይቶ ግን፡ ምሕደራ እቲ ፕሮጀክት ዝምልከት ነቐፌታ ከቕርቡ እንከለው፡ እቲ ገንዘብ ኣብ ቤት ጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዝርከቡ ሰብ መዚ ተመዝሚዙ’ዩ ኢሎም። ኣብቲ እዋን፡ ባንኪ ዓለም ምስ ምሕደራ እቲ ፕሮጀክት ብዝተሓሓዝ ዘለዎ ስግኣት ዘልዓለ ኰይኑ፡ ቤት ጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ተጠፋፊኡ ዝተባህለ 33 ሚሊዮን ሽሊን [277 ሽሕ ዶላር] ኣበይ ከም ዝወዓለ መብርሂ ክህብ ሓቲቱ ነይሩ። ብወግዒ ግን በዚ ምጥፍፋእ ዝኸሰሶም ሰብ መዚ የለውን። ድሕሪኡ ኦዲንጋ፡ “ኣብ ትሕቲ እቲ ፕሮግራም ዝጠፍአ ታዕሪፋ'ውን የለን” ክብል ንባይቶ ተዛሪቡ። ምኽትል ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ኣብቲ ሕጹያት ተነሓናሕቲ ፕረዚደንት ክቐርብሉ እዮም ተባሂሉ ትጽቢት ተገይሩ ዝነበረ ናይ ተሌቪዥን ክትዕ ንበይኑ’ዩ ተረኺቡ። ኣብ ክልተ ቃለ-መጠይቓት ብዛዕባ ዘልዓሎም ጉዳያት ክንጠቅስ። እዚ ቝጽሪ ካብቲ መንግስቲ ዝህቦ ወግዓዊ ቝጽሪ ንላዕሊ እዩ። ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ስታቲስቲክ፡ ዕድመኦም ካብ 15 -64 ዝዀኑ 2.5 ሚሊዮን ኬንያውያን ካብ ስራሕ በዂሮም ኣለው ይብል። ብመሰረት እቲ ብ2019 ዝተኻየደ ቈጸራ ህዝቢ፡ ዕድመኦም ካብ 18 ክሳብ 34 ዝዀኑ 1.6 ሚሊዮን መናእሰይ ሸቕለት ኣልቦ ነይሮም። ብ2015 ዝወጽአ ጸብጻብ ድማ፡ ኣብ ኵሉ ዕድመ ዝርከቡ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ክሰርሕ ዝኽእል ዓቕሚ ሰብ፡ ስራሕ የብሉን ወይ’ውን “ትሕቲ ግቡእ ዝተቘጽረ” እዩ ይብል። እዚ ማለት፥ ሩቶ፡ ኬንያ ካብ ውሽጢ እያ ትልቃሕ ዘላ ብምባል፡ “እዚ ማለት ንሃገርለኸ ኢንተርፕራይዛት’ውን ኢና ንጐድእ ዘለና” ኢሉ። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ማእከላይ ባንኪ ዘውጽኦ ጸብጻብ ግን፡ ጠቕላላ ልቓሕ መንግስቲ 8.2 ትሪሊዮን ሽሊን፡ ውሽጣዊ ልቓሕ 4 ትሪሊዮን፡ ካብ ደገ ዝተረኸበ ልቓሕ ድማ 4.2 ትሪሊዮን ሽሊን ከም ዝዀነ የመልክት። ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘውጽኦ ጸብጻብ’ውን፡ ካብ ደገ ዝመጽእ ልቓሕ ብ2013 ካብ ዝነበሮ 44.5 ሚእታዊት ብ2020 ናብ 52.5 ሚእታዊት ዓብዩ ይብል። ኣብ ፈላሞት ኣርባዕተ ዓመታት ስልጣን ፕረዚደንት ኡህሩ ኬንያታ [ካብ 2013 ክሳብ 2017] ግን፡ ካብ ደገ ዝመጽእ ልቓሕ ቅድሚ ምውሳኹ ውሽጣዊ ልቓሕ ኣዝዩ ዝለዓለ ነይሩ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cxe5prjd77yo"} {"headline":"ኬንያ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዋስና ከባቢታት ሓይልታታ ኣዋፊራ","content":"ኬንያ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳውብ ከባቢ ኣብ እትርከብ፡ መርሳቢት ዝተባሃለት ግዝኣታ፡ ዓሌታዊ ጐንጺ ድሕሪ ምውልዑ ሓይልታት ጸጥታ ከም ዘዋፈረት ተገሊፁ። ኣብቲ ዓሌታዊ ጐንጺ ብዙሓት ሰባት ከም ዝተቐተሉ ዝተሓበረ ኮይኑ፡ በዚ ምኽንያት ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኣባላት ፖሊስን ካልኦት ሓይልታት ፀጥታን ኬንያ ናብቲ ቦታ ተዋፊሮም ኣለዉ። መንቀሊ ናይቲ ኣብ መርሳቢት ዝተኸሰተ ጐንጺ፣ ድርቂ፣ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ካብታ ብኲናት ትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ ብቐሊሉ ዝኣቱ ዘሎ ኣጽዋርን ምዃኑ መንግስቲ ኬንያ ኣፍሊጡ። ሚኒስትሪ ድሕነት ውሽጢ ዓዲ ከም ዝበሎ፡ ካብ ደቡብ ኢትዮጵያ ብዘይሓጋዊ መገዲ ዝኣተዉ ብርክት ዝበሉ ኣጽዋርን ጠያይትን ኣብ ቍጽጽር ውዒሎም ኣለዉ። መንግስቲ ኬንያ ናብ መርሳቢት ሓይልታት ፀጥታ ካብ ምውፋር ብተወሳኺ፡ ንሓደ ወርሒ ዝጸንሕ ሰዓት እቶ እቶ ከም ዝኣወጀን፡ ዕጥቂ ከም ዘፍትሕ'ውን ኣጠንቂቑ'ሎ። በቲ ኣብ ግዝኣት መርሳቢት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣመሓዳሪ እቲ ከባቢ'ውን ከም ዝተቐተለ ተገሊጹ። መንግስቲ ኬንያ ነቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ኣረሜናዊ ክብል ኮኒንዎ'ሎ። ኣብቲ ብኸቢድ ደርቂ ካብ መንጐ ዝተሃሰዩ ከባቢታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾነ እቲ ከባቢ ዶብ፡ ዝምታ ጥሪት እውን ብዝለዓለ ደረጃ ከም ዝወሰኸ ይዝረብ። ኣብዚ እዋን ምስ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ዝርከብ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ [መንግስቲ \"ሸኔ\" ዝብሎን ብባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣሸባሪ ዝተባህለን] ኣብ በረኻታት ኬንያ ወተሃደራዊ ስልጠና ከም ዘካይድ ይዝረብ'ዩ። ቅድሚ ሒደት ዓመታት ናብ ኬንያ ምብጻሕ ዘካየደ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ መራሒ ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ፡ \"ንኣልሸባብን ኦነግ ሸኔን ሓቢርና ነጥፍኣዮም፡\" ብዝብል ከም ዝተሰማምዑ ተሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61330732"} {"headline":"ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ኬንያ ኣብ ሕገ መንግስቲ ለውጢ ንምምጻእ ዝዓለመ ተበግሶ ዓጊቱ","content":"ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ኬንያ ነቲ ኣብ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ለውጥታት ንምትእትታው ዝዓለመ ተበግሶ ደው ኣቢሉ። ደያኑ እቲ ቤት-ፍርዲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ነቲ 'ቢቢኣይ' ዝተሰመየን ብመንግስቲ እታ ሃገር ዝተደገፈን ጽገናታት ኣብ ቅድመ ግንባር ኮይኑ ኣብ ዝመርሓሉ ዝነበረ እዋን ዘይሕጋዊ ተግባራት ከምዝፈጸመ ገሊጾም። እቲ ተበግሶ ኣብ ስልጣን ብዘሎ መራሒ ሃገር ዘይኮነ ብዜጋታት ክምራሕ ነይርዎ ኢሎም። እቲ ውሳነ ኬንያ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ሓፈሻዊ ምርጫ ንምክያድ ኣብ እትንቀሳቐሰሉ ዘላ እዋን እዩ ተዋሂቡ። እቲ ጽገና ዝያዳ ኣሳታፊ ዝኾነ ፖለቲካዊ ሃዋሁ ኣብ ምፍጣር ኣድላዪ ምዃኑ ዝምጉት ፕረዚደንት ኬንያታ ድሮ ንኽልተ እብረ ኣብ ስልጣን ብምጽንሑ ኣብቲ ምርጫ ኣይወዳደርን እዩ። ገለ ካብቲ ቀንዲ እማመታት እቲ ጽገና፡ ምትእትታው መዝነት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝብል እዩ። እቲ መወዳድርቱ ዝነበረ ድሒሩ ተሓባባሪኡ ዝኾነ ራይላ ኦዲንጋ ኣብቲ ምርጫ እንተተዓዊቱ፡ ኡሁሩ ኬንያታ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን ክደልይ እዩ ዝብል ጥርጣረታት ኣሎ። ራይላ ኣብቲ ኣብ 2017 ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብጸቢብ ክሰዓር እንከሎ ምጥፍፋእ ከምዝነበሮ ምኽሳሱ ይዝከር። ድሕሪ ሓደ ዓመት ግና ክልቲኦም መወዳድርቲ ብሓባር ንምስራሕ ክሰማምዑ እንከለው ነቲ ተበግሶ ምህናጽ ደልድል (ቢቢኣይ) ዝብል ውጥን ኣበጊሶም። ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታን ምኽትሉ ዊልያም ሩቶን ግና ሓጓፍ ተፈጢሩ። ኣብቲ ኣብዚ ዓመት ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዊልያም ሩቶን ራይላ ኦዲንጋን ቀንዲ መወዳድርቲ ክኾኑ ትጽቢት ይግበር። ዊልያም ሩቶ ኣብ ፈለማ እዚ ወርሒ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ \"እዚ ውጥን ንኣይ ደፊእካ ካብ መንግስቲ ንምውጻእ ኮነ ኢልካ ዝተገብረ እዩ\" ክብል ንቢቢኣይ ዝምልከት ርእይቶኡ ሂቡ ነይሩ። ራይላ ኦዲንጋ ድሕሪ ውሳነ እቲ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ በቲ ውሳነ ከም ዘይዕንቀፍን ንረብሃ ናይቶም ነቲ ጽገና ዝደገፉ ወገናት ከምዝሕሉን ተዛሪቡ። ብዙሓት ተንተንቲ እቲ ትማሊ ሓሙስ ዝተወሃበ ውሳነ እቲ ቤትፍርዲ ንሩቶ ዓወት ምዃኑ ክገልጹ እንከለው፡ እቶም ናይ ብሓቂ ተዓወትቲ ግና እቶም ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ብዘይ ህዝባዊ ተሳትፎ ብልሂቃን ለውጥታት ከይግበረሉ ምእንቲ ካብ ታሕተዎት ኣብያተ-ፍርዲ ጀሚሮም ክሳዕ ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ዝተቓለሱ ዜጋታት ኬንያ እዮም። ጽገናታት ቢቢኣይ ንኬንያ ናብ ሓድነት ዘምጽእ ምዃኑ ክንገረሉ እኳ እንተጸንሐ፡ እታ ሃገር ኣብዚ እዋን ንቀንዲ ጽገናታት መንግስቲ ዝቃወም ምኽትል ፕረዚደንትን ኣብ ቅድሚት ኮይኑ ነቲ ለውጢ ዝመርሕን ተቓዋምን ዘለዋ ክትኸውን ጌሩ ኣሎ። እቲ ናይ ሓሙስ ውሳነ ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ኬንያ ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ፓርላማ ተወሳኺ 70 መናብር ናይ ምፍጣር ውጥን'ውን ዓጊቱ ኣሎ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60952280"} {"headline":"ኬንያውያን መምሃራን ተመሃሮ 'ብመግረፍቲ ንክቐፅዑ' ፍቓድ ሓቲቶም","content":"ብመሰረት ሕጊ ኬንያ፡ ተመሃሪ ምውቃዕ የቕፅዕ እዩ። ኬንያ ኣብ ልዕሊ ተመሃሮ ኣካላዊ መጉዳእቲ ከስዕብ ዝኽእል መግረፍቲ ብ2001 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ከልኪላ። እዚ ችልድረንስ ኣክት ዝተባህለ ሕጊ ኬንያ ግን፡ ዝኾነ ዓይነት መቕጻዕቲ ኣብ ልዕሊ ተመሃሮ ከይፍጸም ይኽልክል። ይኹን'ምበር፡ ካብ ቀረባ ግዜያት ንነዘ ገለ መምሃራን ኬንያ \"ተመሃሮ ብመግረፍቲ ክንቀጽዕ ይፈቐደልና\" ኢሎም ክሓቱ ጀሚሮም ኣለው። እቶም ነዚ ሕቶ ዘቕርቡ ዘለው መምሃራን፡ ንተምሃሮ \"ስርዓት ከነትሕዝ\" ስለ እንደሊ ብመግረፍቲ ክንቀጽዖም ይፈቐደልና ይብሉ። ተመሃሮ ስዲ ከይኸዱ ክንገብር ንደሊ ዝብሉ ዘለው ገለ ርእሰ መምሃራን ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ፡ \"ህጻናት ምምሕዳር መልፍዒ'ዩ\" ኢሎም። ሓላፊ ማሕበር፡ ኣመሓደርቲ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ኬንያ ካሂ ኢንዲሙሊ ከም ዝብሎ እቲ ተመሃሮ ከይግረፉ ዝኽልክል ሕጊ \"መምሃራን ተመሃሮ ስርዓት ንምትሓዝ ዝኾነ ዓይነት ስጉምቲ ከይወስዱ\" ከም ዝእግድ ይገልጽ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኣመሓደርቲ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብዚ ሰሙን ኣኼባ ክገብሩ መደብ ኣውጺኦም ኣለው። ኣብ ውሽጢ ኣብያተ ትምህርቲ እናጎልሐ ዝመጽእ ዘሎ ቅልውላው ከመይ ከነዐግሶ ንኽእል ዝብል ድማ ኣጀንዳ እቲ ኣኼባ ክኸውን እዩ። ኣብ ኬንያ ኣብያተ ትምህርቲ ተቓጺሎም ዝብል ዜና ምስማዕ ሓድሽ ኣይኮነን። መብዛሕትኡ ግዜ ሓዊ ኣንዲዶም ዝምሃርሉ ክፍሊ ናብ ሓሙኽሽቲ ዝቕይሩዎ ድማ ተመሃሮ እዮም። ብፍላይ ኣብ ናይ ሓዳሪ ኣብያተ ትምህርቲ ዘለው ተመሃሮ 'ዝቐርበልና መግቢ ኣይተሰማምዐናን' ወይ 'መምሃራን ወጺዖምና' ኢሎም ሓዊ የልዕሉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ብርክት ዝበሉ ኣብያተ ትምህርቲ ተመሃሮ ብዘልዓሉዎ ሓዊ ተቓጺሎም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ሚኒስትር ትምህርቲ ጆርጅ ማጎሃ መምሃራን ተመሃርኦም ብመግረፍቲ ክቐጽዑ ክሓስቡዎ ከም ዘይብሎም ኣጠንቂቑ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ሚኒስትር ስነ ምግባር ምትሓዝ ዝምልከት ናይ ፖሊሲ ለውጢ ክመጽእ ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ። እትመሃረሉ ቤት ትምህርቲ ዘቃጸለት ሓንቲ ተመሃሪት ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ዝነበረ መጋብኣያ ቤት ፍርዲ ማእሰርቲ ዓሰርተ ዓመት ተበይኑዋ'ዩ። እዛ ጓል 18 ዓመት ተመሃሪት፡ ጓል 14 ዓመት እናሃለወት ሞይ ዝተባህለ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ቤት ትምህርቲ ኣቃጺላ ምኽንያት ሞት ዓሰርተ ተመሃሮ ኮይና እያ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61155675"} {"headline":"ፌደሬሽን ኣትለቲክስ ኢትዮጵያ ብቕትለት ኬንያዊት ኣትለት ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ","content":"ፌደሬሽን ኣትለቲክስ ኢትዮጵያ ብቕትለት ኬንያዊት ኣትለት ዳማሪስ ሙቱዋ ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ። እቲ ፌደሬሽን ትማሊ ኣብ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገጻቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሞት እታ ጓል 28 ዓመት ኣትለት ኣዝዩ ከምዝሓዘነ ብምግላጽ ንስድራቤታ፡ ፈተውታን ኣድነቕታን 'ጽንዓት ይሃብኩም' ኢሉ። እታ ኬንዊት ዝመበቆላ ናይ ባሕረይን ዜግነት ዘለዋ ኣትሌት፡ ኣብ ምዕራብ ኬንያ ኣብ ትርከበን ብዙሓት ናይ ነዊሕ ርሕቐት ኣትለታት ንልምምድ ኣብ ዘዘውትርዋ ከተማ ኢተን እያ ተቐቲላ ተረኺባ። ምስ'ቲ ቅትለት ብዝተኣሳሰር ኣፍቃሪኣ ዝነበረ፡ እስክንድር ሃይለማርያም ዝተባሃለ ኢትዮጵያዊ ብፖሊስ ይድለይ እኳ እንተሎ እቲ ውልቀሰብ ዛጊት ኣብቲ ጉዳይ ዝሃቦ ርእይቶ የሎን። ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ኢተን፡ ቶም ማኮሪ፡ እቲ ኢትዮጵያዊ ኣትለት ካብ ኬንያ ቅድሚ ምምላጡ፡ እታ ግዳይ ልምምድ ኣብ እትገብሉ ትካል ምስኣ ስልጠና ይወስድ ምንባሩ ገሊጹ። \"እቲ ጥርጡር፡ ምስኡ ልምምድ ናብ ዝገበር መሓዝኡ ደዊሉ ንኣፍቃሪቱ ከምዝቐተለን ኣስከሬና ኣብቲ ገዛ ከምዘሎን ተዛሪቡ እዩ\" ክብል ንሮይተርስ ኣረዲኡ። እቲ ኣስከሬና ዝተረኽበ ምፍርራስ ምስ ጀመረ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ኣዛዚ ፖሊስ፡ እቲ ጥርጡር ናበይ ሃገር ከምዘምለጠ ኣይገለጸን። ጓል 28 ዓመት ደማሪስ ማቱ ማቱዋ፡ ብኻራ ከም ዝተቐተለት ሰብ መዚ ፖሊስ ሓቢሮም። ፌደሬሽን ኣትለቲክስ ኢትዮጵያ ንሙትዋ \"ጅግና ኣትለት\" ክብል እዩ ገሊጽዋ። ቅደሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ'ውን ኣግነስ ትሮፕ ዝተባህለት ውርይቲ ኬንያዊት ኣትሌት ኣብታ ካብ ናይሮቢ ንሸነኽ ሰሜን 329 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ኢተን ከም ዝተቐተለት ዝዝከር እዩ። ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ኬንያ ትርከብ ከተማ ኢተን፡ ብዙሓት ናይ ነዊሕ ርሕቐት ዝወዳደሩ ኣትሌታት ንልምምድ ዝጥቀሙላ ከተማ እያ። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ከተማ ኢተን ዝተቐተለት ኬንያዊት ኣትሌት ኣግነስ ትሮፕ፡ ሞታ ንቡዙሓት ኬንያውያን ከሰንብድ እንከሎ፡ ብቅትለታ ዝተጠርጠረ ብዓል ቤታ ኣብ ቀይዲ ይርከብ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61159146"} {"headline":"ኣንፃር ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ትቃለስ ኬንያዊት፡ ብልፅቲ ነርስ ዓለም ተባሂላ ተሸሊማ","content":"ኣንፃር ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮን መርዓ ትሕቲ ዕድመን ትቃለስ ኬንያዊት ነርስ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ውድድር ነርስ ሽልማት 250 ሽሕ ዶላር ተዓዊታ። ኣብ ሰሜናዊ ኬንያ ኣብ ማርሳቢት ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ትሰርሕ ነርስ ኣና ካባሌ ዱባ፡ ኣብ ትነብረሉ ማሕበረሰብ ምኽንሻብ ደቂኣንስትዮ ደው ክብል ብምቅላሳ እያ ነዚ ኣብቲ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ዓለማዊ መዓልቲ ነርስ ዝተኻየደ ውድድር (ግሎባል ነርሲንግ ኣዋርድ) ተዓዊታትሉ ዘላ። ኣብዚ ውድድር ስለዝተዓወትኩ \"ቃላት ይሓፅረኒ እዩ\" ክትብል ሓጎሳ ገሊፃ። ካባሌ፡ ኣብ መቦቆል ዓዳ ማርሳቢት ዝመስረተቶ 'ካባሌ ዱባ ፋውንደሽን' ሰገናት ኣዋልድ ኣብ ምብቃዕ ይሰርሕ። ኣና ካባሌ ዱባ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ \"እዚ ሽልማት፡ ሕዚ ዘለኒ ቤት ትምህርቲ ኣብ መላእ ኬንያ ንከስፋሕፍሖ ዝሕግዘኒ እዩ\" ኢላ። ካባሌ፡ ኣብ 2013 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ተምሃሪት ነርሲንግ እንከላ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፅባቐ ብምስታፍ፡ 'ሚስ ቱሪዝም ኬንያ 2013' ብምዃን ተዓዊታ እያ። ኣብዚ ውድድር ብዝተጎናፀፈቶ ዓወት ተሰማዕነት ብምርካባ ድማ፡ ኣብ መዓርነት ደቂኣንስትዮን ዕድል ትምህርትን ብዙሕ ስራሕ ሰሪሓ። ኣብ ትሕቲ ካባሌ ፋውንዴሽን ዝተመስረተ ቶርቢ ኣካዳሚ፡ ኣብ ሰዓት ናይ ንጉሆ ሰገናት ኣዋልድ፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ድማ ወለደን ዝመሃርሉ እዩ። ሓደ ሓደ ግዘ ድማ ወለድን ውሉድን ሓደ ዓይነት ዕዮ ገዛ ይወሃቡ። ወይዘሪት ካባሌ፡ ካብ ቁሸት ቶርቢ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣትያ ዝተምሃረት ንሳ ጥራሕ ከም ዝኾነትን ኣዋልድ ክሳብ መባእታዊ ብርኪ ጥራሕ ከምዝመሃራን ትገልፅ። ሕዚ ብኤፒደምዮሎጂ (ስነ-ሕማም ለበዳ) ማስተርስ ዲግሪ ዝወነነት ጓል 31 ዓመት ካባሌ፡ ኣዋልድን ኣደታትን ንምብቃዕ ዝዓለመ ፋውንዴሽን መስሪታ ኣላ። \"ኣብ ትምህርቲ ፅኑዕ እምነት እዩ ዘለኒ። ፍረ ትምህርቲ ምስ ቀሰምኩ፡ ናብ ዓደይ ከይደ፡ ኣብኡ ንዝተረፈ ከብቅዕ ወሲነ\" ኢላ ካባሌ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል። ብካባሌ ዱባ ፋውንዴሽን ኣቢላ ዝኸፈተቶ ቤት-ትምህርቲ፡ ወለዲ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ መፅዮም ካብ ዝመሃርዎ ምንባብን ምፅሓፍን ብዝዘለለ፡ ብዛዕባ ጥዕና ስነ ተዋልዶን ስርዓተ ምርባሕን ትምህርቲ ይረኽቡ። ንርእሳ ገና ጓል 12 ዓመት እንከላ ግዳይ ምኽንሻብ ዝኾነት ኣና ካባሌ ዱባ፡ ስድርኣ ኣብ 14 ዓመታ በስገዳድ ከምርዕውዋ ኣብ ዝወሰንሉ እውን ካብ ትሕቲ ዕድመ መርዓ ሃዲማ እያ። ኣብ ኬንያ ምኽንሳብ ዘይሕጋዊ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ሰሜናዊ ኬንያ ግና 91 ሚእታዊት ደቂኣንስትዮ ንምኽንሻብ ዝተቓልዓ እየን። እዚ ውድድር ካብ 184 ሃገራት ልዕሊ 24 ሽሕ ነርስታት ዝተሳተፍሉ እዩ። ኣና ካባሌ ዱባ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ብምዕዋት ሽልማት እንክትጎናፀፍ እዚ ንካልኣይ ግዘ እዩ። ኣብ 2019 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር እውን ተዓዊታ እያ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/61416583"} {"headline":"ኬንያ፡ ፈላሚ ተቓዋሚ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝኾነ ምዋይ ኪባኪ ዓሪፉ","content":"ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ምዋይ ኪባኪ ኣብ መበል 90 ዓመቱ ከም ዝዓረፈ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ኣፍሊጡ። ኣብ 2002 ናብ ስልጣን ዝደየበ ኪባኪ፡ ነቲ ን40 ዓመት ስልጣን ብሒቱ ዝነበረ ገዛኢ ሰልፊ ብምስዓር ንፈለማ እዋን መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ፕረዚደንት ክኸውን ኣፍደገ ዝኸፈተ'ዩ ነይሩ። እቲ ኣብ ዘመነ ስልጣኑ ዝተኻየደ ናይ 2007 ምርጫ፡ ናብ ሓፈሻዊ ናዕብን ጎነጽን ብምምርሑ ኣስታት 1200 ሰባት ዝሞትሉ'ዩ ምንባሩ ይዝከር። ኣብቲ ናይ 2002 ምርጫ ብኪባኪ ዝተሳዕረ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ኬንያታ፡ \"ንገዛኢ ሰልፊ ተሓታቲ ክኸውን ኣብ ምግባር መሪሕ ተራ ዝተጻወተ'ዩ\" ክብል ኣመጒስዎ። ኪባኪ ኣብታ ሃገር \"ነባሪ ክብርን ፍቕርን\" ክረክብ ዝበቕዐ መራሒ ምንባሩ'ውን ኬንያታ ተዛሪቡ። ክሳብ ብወግዓዊ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ክሳብ ዝፍጸመሉ ዝጸንሕ መዓልታት ሓዘን ብምእዋጅ፡ ንኽብሩ ባንዴራ'ታ ሃገር ኣብ ፍርቂ ዓንዲ ክትስቀል ኣዚዙ'ሎ። ብዙሓት ኬንያውያን ብወገኖም፡ ድሕሪ ናጽነት ካብ ዝነበሩ መራሕቶም እቲ ዝበለጸ ፕረዚደንት ዝብልዎ ብምስኣኖም ሓዘኖም ይገልጹ ኣለዉ። እቲ በሊሕ ኪኢላ ቁጠባ ምንባሩ ዝንገረሉ ኪባኪ፡ ነታ ሃገር ኣብ ጎደና ቁጠባዊ ዕብየት ከተምርሕ ዝገበረ'ዩ ነይሩ። ኣብቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ፖለቲካዊ ሂወቱ፡ ካብ ዝነበሮ መንግስታዊ መዝነታት ኣብ ክፍሊ ገንዘብ ዝነበሮ ሓላፍነት ይጥቀስ። ኣብ ጉዳያት ፖለቲካ ግን፡ ተሪር መርገጺ ዘይወስድን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሓጹር ደው ዝብል (ተወላዋሊ) ተበላጺ ምንባሩ'ዩ ዝግለጽ። ዋላ'ኳ ፈለማ፡ ኣብ ብዙሕነት ሰልፍታት ዝተሞርኮሰ ደሞክራሲ ዝቃወም እንተነበረ፡ ቅዋም እታ ሃገር ምስ ተመሓየሸ ግን ቀልጢፉ ነቲ ዕድል ተጠቒሙ፡ ተቓዋሚ ሰልፊ ካብ ዝመስረቱ'ዩ ነይሩ። ድሕሪ 10 ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ድማ ንልፍንቲ ዝተፈላለያ ተቓወምቲ ሰልፍታት ብምውካል ተዓዊቱ። ኣብ ዘመነ ስልጣኑ ከኣ እዚ ክልተ ዓብላሊ ፖለቲካዊ ባህርያቱ ብንጹር ተንጸባሪቑ'ዩ። ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ፡ ኬንያ ኣብ ዕድሚኣ ሪኣቶ ዘይትፈልጥ ቁጠባዊ ዕብየት ኣመዝጊባ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ሂወት ልዕሊ 1000 ሰባት ዝሞትሉ ናይ 2007 ምርጫ ንሓድጉ ደዊንዎ'ዩ። ብዘይካ'ቲ ኣብ ቁጠባ ዘመዝገቦ እወታዊ ኣበርክቶ፡ ገለ ካብቲ ካልእ ዝዓበየ ዓወታቱ ድማ ኣብ ኬንያ ናጻ ትምህርቲ ምትእትታዉ'ዩ። ኣብ 2010፡ ብህዝበ-ውሳነ (ረፈረንደም) ተቐባልነት ዝረኸበ ሓድሽ ቅዋም (ሕገ-መንግስቲ) ምጽዳቑ'ውን እቲ ካልእ ዓወቱ ምንባሩ ይግለጽ። እቲ ፍጻመ፡ ኬንያ ኣብ 1963 ናጽነታ ድሕሪ ምርካባ ካብ ዝነበሩ ኣገደስቲ ፍጻሜታት ሓደ ምንባሩ'ዩ ዝጥቀስ። እቲ ሓድሽ ቅዋም፡ ነቲ እዝዩ ምእኩል ዝነበረ ስርዓተ-ፖለቲካ ኬንያ ዘመቓርሐን፡ ንፕረዚደንታዊ ስልጣን ዝደረትን'ዩ ነይሩ። ሓደ ካብ ዝዓበየ ድኽመታት ኪባኪ፡ ኣብታ ሃገር እናገደደ ዝኸደ ብልሽውና'ዩ ነይሩ። ዋላ'ኳ ኣንጻር ብልሽውና ክቃለስ ምዃኑ ቃል እንተ ኣተወ፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ንባዕሉ ብብልሽውና ዝተቖማጠዐ'ዩ ነይሩ። እቲ ዝኸፍአ ካብ ውድቀታቱ ግን፡ እቲ ኣብ 2007-2008 ዝነበረ ምርጫ ዝተራእየ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ተራእዩ ዘይፈልጥ ጎነጽ'ዩ። ኮሚሽን ምርጫ፡ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ፖሊስ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኪባኪ ከም ዝተዓወተ ኣፍሊጡ። መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ራይላ ኦዲንጋ ንውጽኢት ናይቲ ምርጫ ከም ዘይቅበሎ ገሊጹ እናሃለወ ድማ፡ ፕረዚደንት ኪባኪ ተቐላጢፉ ንካልኣይ እብረ ስልጣን ቃለ-ማሕላ ፈጺሙ። እቲ ስጉምቲ ሓያል ተቓውሞ ብምስዓቡ ድማ፡ ናብ ናዕብን ጎነጽን ኣምሪሑ። ብደቡብ ኣፍሪቃዊ ዳኛ ጆሃን ክሪግላር ዝተኻየደ መርመራ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ናይ ምርጫ ምጥፍፋእ ከምዝፈጸሙን መን ከምዝተዓወተ ክፍለጥ ከምዘይተኻእለን ደምዲሙ። ኣብ መወዳእታ፡ ብመንጎኝነት ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ነበር ኮፊ ኣናን ብዝተገብረ ናይ ስልጣን ምምቕራሕ ስምምዕ እቲ ጎነጽ ሃዲኡ፡ ኪባኪ ኣብ ስልጣኑ ቀጺሉ. መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ራይላ ኦዲንጋ ድማ ሓድሽ ቦታ ተፈጢሩሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ። ኦዲንጋ ብዛዕባ ሞት ናይቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ \"ዘሕዝን ሃገራዊ ኣጋጣሚ'ዩ\" ብምባል ኪባኪ \"ንቡዙሕ ዓመታት ንሃገሩ ብተወፋይነት፡ ትብዓት፡ ቅንዕናን ግሉጽነትን ዘገልገለ'ዩ\" ክብል ገሊጽዎ። ኣብ ለካቲት 2020 ካብ 1978 ክሳብ 2002፡ ን24 ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሐ ፕረዚደንት ነበር ኣራፕ ሞይ፡ ኣብ መበል 95 ዓመቱ ምማቱ ይዝከር።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61193257"} {"headline":"መረጻ ኬንያ፡ ፕሬዝደንት ኬንያታ ምኽትሉ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ሓቲቱ","content":"ፕሬዝደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ምኽትሉ ዊልያም ሩቶ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ሓቲቱ። ኣብታ ሃገር፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ንክካየድ ምድላው ይግበር እኳ እንተ'ሎ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ዘሎ ወጥሪ ግን እናዓረገ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ። ፕሬዝደንት ኬንያታ: ምኽትሉ ሩቶ ነቲ እታ ሃገር ትፍተነሉ ዘላ ቁጠባዊ ጸገማት ንምፍታሕ እኹል ጻዕሪ ኣይገበረን ኢሉ ክኸሶ እንከሎ ኣብ ውሽጢ ኮይንካ መንግስቲ ክትነቅፍ ድማ ኣይክኣልን ኢሉ። እንተኾነ ምኽትሉ ዊልያም ሩቶ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ካቢነ እታ ሃገር ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ከምዘይተኣከበ ክገልጽ እንከሎ፤ እቲ ፕረዚደንት ብሓንቲ ናይ ቴለፎን ደወል ክጽውዖ ከምዝኽእል ተዛሪቡ። ብመሰረት ሕጊ እታ ሃገር ፕሬዝደንት ኡሁሩ ንምኽትሉ ክሰጉግ ስልጣን የብሉን። ስለ ዝኾነ ድማ ሩቶ ካብ ስልጣን ክእለ ዝኽእል ክሲ እንተቐሪቡዎ ወይ'ውን ስርሑ ንምውጋን እኹል ዓቕሚ ከም ዘይብሉ እንተተኣሚኑ ጥራይ እዩ። ፕሬዝደንት እታ ሃገር ነበር ምዋይ ኪባኪ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከም ዝሞተ ዝዝከር ኮይኑ: ብዓርቢ ኣብ ዝተፈጸመ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኪባኪ ፕሬዝደንት ኡሁሩን ምኽትሉ ሩቶን ናይ ኢድ ሰላምታ ንክለዋወጡ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። እቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ሰብ መዚ ዝርኣይ ዘሎ ምስሕሓብ ብምኽንያት እቲ ሃገራዊ መረጻ ከም ዝኾነ ይግለጽ። ሩቶ ኣብቲ መረጻ ንፕሬዝደንትነት ዝወዳደር ኮይኑ፡ ፕሬዝደንት ኬንያታ ድማ ንመራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ራይላ ኦዲንጋ'ዩ ዝድግፍ ዘሎ። ኬንያ፡ ኣብዚ እዋን ልዑል ዝቕባበ ዋጋ ዘጋጠማ ኮይኑ ብፍላይ ዋጋጋት ዘይቲ ብልዕን ነዳድን ወሲኹ ተራእዩ ኣሎ። ቁጠባዊ ጉዳይ እታ ሃገር ድማ ኣብዚ መረጻ ኣዝዩ ኣካታዒ ኮይኑ ኣሎ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61290776"} {"headline":"ዕውት ፕረዚደንታዊ መረጻ ኬንያ ዊልያም ሩቶ መን’ዩ?","content":"ዊልያም ሩቶ፡ ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ምኽትል ፕሬዝደንት ኡህሩ ኬንያታ ኰይኑ ኣብ ስልጣን ጸኒሑ’ዩ። እቲ ምኽትል ፕሬዝደንት፡ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ዝተኻየደ ሃገራዊ መረጻ ብጸቢብ ኣፈላላይ ከም ዝተዓወተ ድማ፡ ኮሚሽን መረጻ እታ ሃገር ትማሊ ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብዚ ሓያሎ ንሕንሕ ዝተራእዮ መረጻ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ራይላ ኦዲንጋ ቀንዲ መነሓንሕቲ ዊልያም ሩቶ ነይሩ። ቁልዕነት ዊልያም ሩቶ፡ ታሪኽ ህይወት ብዙሓት ኬንያውያን ድኻታት እዩ ክብሃል ይክኣል። ንፈለማ እዋን ናብ ቤት ትምህርቲ ዝኸደላ መዓልቲ፡ ጥራሕ እግሩ ነይሩ። ወዲ 15 ዓመት ምስ ኰነ’ዩ ጫማ ወድዩ። ኣብ ገጠራት ሓጓፍ ሸንጥሮታት ኬንያ፡ ኣብ ጽግዒ ጽርግያ ኰይኑ ክኣ ደርሆን ለውዝን (ኦቾሎኒ\/ፉል) ይሸይጥ ነይሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሩቶ ኣብ ኬንያ ካልኣይ ሓያል ሰብ ኰይኑ ምኽትል ፕሬዝደንት እዩ። ኣብ ዝቕጽል ወርሒ 9 ነሓሰ 2022 ኣብ ዝካየድ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ድማ ሕጹይ ተወዳዳርን ወኪል ድኻታትን ኰይኑ ቐሪቡ ኣሎ። እዚ ኽኣ ነቲ ታሪኽ ህይወቱ ዝፈልጥ ሓድሽ ኣይኰነን። ሩቶ፡ ‘ኬንያ ኩዋንዛ’ [ቀዳምነት ንኬንያ] ዝብል መሪሕ ቃል ሒዙ ተበጊሱ ኣሎ። ኣብታ ሃገር ቁጠባዊ ዕብየት ከምጽእ’ውን ይመጻባዕ። ኣብዛ ሃገር፡ 40 ሚኢታዊት ዕድሚኦም ካብ 18 ክሳብ 34 ዝዀኑ መናእሰይ ሸቕሊ ኣልቦ’ዮም። እዚ ቁጠባ ክኣ፡ ነቶም ዓመታዊ ናብ ስራሕ ዝኣትው 800 ሽሕ መናእሰይ ክሓቁፍ ኣይክኣለን። ስለዚ፡ ሩቶ ነቶም እንጀራ ዓለም ንምርካብ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ መናእሰይ ‘ተጋሂት ሃገር’ ብዝብል ቃል ይገልጾም። ዊልያም ሩቶ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስን ኲናት ዩክሬይንን ኣብ ዓለም ናህሪ ዋጋታት ከም ዝተራእየ ብምግላጽ፡ ንሱ ድኻታት ክጥቀሙ ዘኽእል ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝድይብ ቁጠባዊ ሃብቲ ከምጽእ ምዃኑ ይዛረብ። እዚ ወዲ 55 ዓመት ሰብኣይ፡ ንመጀመርታ ግዜ’ዩ ንፕሬዝደንትነት ዝወዳደር ዘሎ። ልክዕ ከምቲ ብ1997 ኣባል ባይቶ ምምሕዳር ሰሜን ኤልዶሬት ኰይኑ ዝተመረጸ፡ ሕጂ’ውን ፕሬዝደንት ኰይኑ ንክምረጽ ዕድል ክትቀንዖ ተስፋ ይገብር ኣሎ። ሩቶ፡ ብ1992 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] እዩ ናብ ፖለቲካ ኣትዩ፤ ኣብቲ ግዜ ፕሬዝደንት ካብ ዝነበረ ዳኒኤል ኣራፕ ሞይ ተሞክሮን ልምድን ከም ዝወሰደ'ውን ይዝረብ። ንሱ፡ ኣብቲ ግዜ ዓብላሊ ናይ ዝነበረ ሰልፊ ሞይ ዝዀነ ዳኑ-ፓርቲ ኣባል መናእሰይ ኰይኑ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ኣብታ ሃገር ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዝተኻየደ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ዝተወዳደርሉ መረጻ፡ መረጽቲ ንክምዝገቡ ጎስጓስ ካብ ሞንጎ ዝገብሩ ዝነበሩ መናእሰይ እዩ። ጽቡቕ ተዛራቢ ከም ዝዀነ ይንገር። ስለ ዝዀነ ድማ ኣብ ናይ ድጋፍ ሰልፍታት ብዙሕ ህዝቢ ይእከበሉ ነበረ። ካብ መራኸብቲ ማዕከናት ንዝቐርበሉ ሕቶታት ብዝህቦ ምላሽ’ውን ጽቡቕ ተዛራቢ ምዃኑ ኣመስኪሩ’ዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ክዛረብ እንከሎ፡ “መሓዛይ” ዝብል ቃል ይጥቀም። እዚ ድማ፡ ምስ መረጽቲ ጽቡቕ ርክብ ንምፍጣርን ልቢ ነቐፍቱ ንምትርካስን ሓጊዙዎ እዩ። ኣሰላልፋ ምቕያር ሚኒስትር ትምህርቲ ሓዊሱ፡ ዝተፈላለዩ ናይ ሚኒስትር ቦታታት ዝሓዘ ዊልያም ሩቶ፡ ካብ 2013 ጀሚሩ ምኽትል ፕሬዝደንት ኰይኑ ኣብ ምግልጋል ይርከብ። ኣብቲ ግዜ፡ ምኽትል ናይቲ ዘመን ስልጣኑ ዘብቅዕ ዘሎ ፕሬዝደንት ኬንያታ ኰይኑ ክቐርብ እንከሎ ብዙሓት ኬንያውያን ሰንቢዶም። ቅድሚኡ፡ ክልቲኦም ውልቀሰባት ኣብ ዝተፈላለየ ደንበ ፖለቲካ እዮም ነይሮም። ኬንያውያን፡ እቲ ብ2007 ዝተኻየደ ፕሬዝደንታዊ መረጻን በሰልኡን ኣይርስዑዎን። ብሰንኪ ኣብቲ ግዜ ዝነበረ መረጻ ኣስታት 1200 ሰባት ክቕተሉ እንከለው፡ ኣዝዩ ኣካታዒ መረጻ እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት፡ ሩቶን ኬንያታን ኣብቲ መረጻ ናዕቢ ብምልዕዓልን ንዕኡ ስዒቦም ብዝተፈጸሙ ገበናት ሰብኣውነትን ኣብ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ክሲ ተመስሪቱሎም ነይሩ። ሩቶ፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብ ጎኒ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ራይላ ኦዲንጋ እዩ ነይሩ። ሕጂ ድማ፡ ክልቲኦም ንሓድሕዶም ንፕሬዝደንትነት ተፋጢጦም ኣለው። ኬንያታ ድማ፡ ኣብ ጎኒ ዳግም ንክምረጽ ዝወዳደር ዝነበረ ምዋይ ኪባኪ ጠጠው ኢሉ ነይሩ። ክልቲኦም ናብ ስልጣን ክመጽኡ እንከለው ዝነበሮም ውህደት ውጽኢታዊ ነይሩ። ሕውነታዊ ፍቕሪ ዝተባህለሉ ጥብኩር ርክብ ፈጢሮም። በዚ፡ ክሲ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ሓዊሱ ክከላኸሉዎ ክኢሎም። ዓቃቢ ሕጊ፡ ብ2014 ኣብ ልዕሊ ፕሬዝደንት ኬንያታ ዝተኸፍተ ክሲ ክቋረጽ ገይሩ። ብ2016 ድማ፡ ዳያኑ እቲ ኣብ ልዕሊ ዊልያም ሩቶ ዝተኸፍተ ክሲ ክቋረጽ ገይሮም። ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ ግን ኣይቀጸለን። ኬንያታ፡ ን2018 ኣዝዩ ዘገርም ናይ ኣሰላልፋ ለውጢ ፈጢሩ። ድሕሪኡ፡ ኬንያታ ምስ ኦዲንጋ ተዓሪቑ፤ ንሩቶ ገጹ ዓጺፍሉ። እቲ ተሰናባቲ ፕሬዝደንት ኣብ መጻኢ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዝካየድ መረጻ ኦዲንጋ ንክትክኦ ከም ዝድግፎ ወግዓዊ ገይሩ። ደገፍቲ እቲ ፕሬዝደንት፡ ሩቶ ንሓለቕኡ ምእዙዝ ኣይኰነን ይብሉ። ንሱ ግን ነዚ ክሲ ይነጽጎ። ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ውጥጥ ከም ዘሎ ኣይክሕዱን። ሩቶን ኬንያታን “ፖለቲካ ዝርእይሉ መገዲ” ዝተፈላለየ ምዃኑ ይገልጹ። ሩቶ፡ እቲ ሕገ መንግስቲ ዋሕስ ስለ ዝዀኖ ኣብ ስልጣኑ [ምኽትል ፕሬዝደንት ኰይኑ] ክቕጽል እዩ። ዋንነት ሰፋሕቲ መሬትን ሕርሻን ብሄር፡ ኣብ ፖለቲካ ኬንያ ዓብዪ ተራ ኣለዎ። ሩቶ፡ ኣብዛ ሃገር ብብዝሒ ህዝቢ ሳልሳይ ካብ ዝዀነ ብሄር ካላንጂን እዩ ዝውለድ። ካብ ካላንጂን ዝመጽአ ሓደ ፕሬዝደንት ጥራይ’ዩ ነዛ ሃገር መሪሑ፤ ንሱ’ውን እቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ኣራፕ ሞይ እዩ። በዓልቲ ቤት ሩቶ፡ ራቼል ትብሃል፤ ኣብ ሕብረት መናእሰይ ቤተክርስቲያን እዮም ተራኺቦም። ኣብ ሓዳሮም ክኣ፡ ሽዱሽተ ቈልዑ ኣፍርዮም። ዓበይቲ ዓዲ ካላንጂን ንፖለቲካዊ ሓላፍነት ዝተሓጸየ’ዩ ኢሎም ዝመረቑዎ በኹሪ ወዶም፡ ኒክ ይብሃል። ጓሉ ጁን ክኣ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ትሰርሕ። ሩቶ፡ ሕርሻ ይፈቱ’ዩ፤ ኣብ ምዕራብን ገማግምን ኬንያ ሰፋሕቲ መሬት ወኒኑ ኣብ ሕርሻን ኢንዳስትሪ ኣገልግሎትን ወፍሪ ኣለዎ። ዕፉን የፍሪ፣ ጸባን ምርባሕ ደርሆን ድማ ኣለዎ። ሽሙ ግን ምስ ብልሽውና ይልዓል’ዩ። በዚ ምኽንያት ኣብ ምንጪ ሃብቱ ብዙሕ ሕቶታት ይለዓል። ብ2013፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ኣብ ዘመሓላለፎ ውሳነ 40 ሄክታር ሕርሻ መሬት ከረክብ ወሲኑ። እዚ፡ ድሕሪ መረጻ 2007 መሬቱ ንዝመንዝዖ ሓረስታይ ካሕሳ ክኸፍል ተፈሪዱዎ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3glq030yy4o"} {"headline":"ኣፍሪቃ፡ ኣብ እዋን ኮቪድ ኣታዊአን ከዕብያ ዝኸኣላ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብኸመይ?","content":"እዘን ዛንትአን እነቕርበልኩም ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኾና ደቂኣንስትዮ ቅድሚ ሎሚ ስርሐን መምህር፣ ወናኒት ሹቕን ኣገልግሎት ታክሲን ነይሩ። ሰለስቲኤን ድማ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ነቲ ዝተዋፈራሉ ስራሕ ገዲፈን ናብ ናይ ዲጂታላዊ ደምብ ንግዲ (ኦንላይን ንግዲ) ኣትየን ኣለዋ። ናብቲ ብኦንላይን ዝሳለጥ ንግዳዊ ንጥፈታት ምስ ኣተዋ ድማ ኣብ ውሽጢ ገዝአን ንደቀን እናተኸናኸና ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረን ዝሓሸ ኣታዊ ክረኽባ ክኢለን። እዘን ኣብነታውያን ደቂ ኣንስትዮ ኬንያዊት፣ ናይጀርያዊትን ጋናዊትን እየን፤ ተሞክሮአን ይስዕብ። ሻሮን ታሪት ኬንያዊት እያ፤ ኣብ ውሽጢ ትሸዓተ ኣዋርሕ ነቲ ዝነበራ ኣታዊ ብዕፅፊ ክተዕብዮ ከምእትኽል ሓሲባ ኣይትፈልጥን። ኣብ ኬንያ - ኤልዶሬት- ዝተባህለ ከባቢ ዝነበራ መሸጢ ክዳን ቈልዑት ብሰንኪ ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተዓጽዩ። ነቲ ሹቕ ምስ ዓጸወቶ ግን ኢዳን እግራን ኣጣሚራ ኮፍ ክትብል ኣይመረጸትን። ናብ ከም ‘ኤይር ቢ ኤን ቢ’ [Airbnb] ዝበሉ ናይ ኦንላይን ንጥፈታት ንግዲ ክትፅምበርን ዝተፈላለዩ ነገራት ብመሸጣ ከምኡ’ውን ብክራይ ክተቀላጥፍ’ያ ወሲና። ጓል 29 ዓመት ሻሮን ታሪት፡ ኣብዚ እዋን ሓንቲ ካብ ሞንጎ እተን ኣብ ኣፍሪቃ ብፌስቡክ፣ ኢንስታግራም፣ ዋትሳፕ ከምኡ’ውን ኡበርን ቦልት [ናይ ታክሲ ኣገልግሎት] ብዝሳለጡ ኦንላይን ንግዳዊ ንጥፈታት ፅቡቕ ኣታዊ ይረኽባ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ እያ። ሓደ ገዛ ብምክራይ ዝጀመረቶ ስራሕ ሕጂ ናብ ትሸዓተ ገዛውቲ በፂሑ’ሎ። ነቶም ገዛውቲ ኣብ ኦንላይን ‘ብኤይር ቢ ኤን ቢ’ እናላለየት ተካርዮም። መብዛሕቲኦም ተኻረይቲ በፃሕቲ ዓዲን ንንግዲ ዝገሹን እዮም። “ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ ብዙሓት መሓዙተይ ስርሐን ስኢነን እየን። ብድሕሪኡ ገንዘብ ንምርካብ ናብ ዲጂታላዊ መድረኽ ተፀምቢረን። ዝተፈላለዩ ነገራት ይሸጣን ናብ ዓማዊል ናይ ምብጻሕ ስራሕቲ ይሰርሓን ኣለዋ” ትብል። ጆሴፊን ኣድዞግብሌ ኣብ ጋና ከተማ ኣክራ እትነብር ጓል 32 ዓመት ጆሴፊን ብዋትሳፕን ፌስቡክን ዝተፈላለዩ ነገራት እናላለየት ኣብ ምሻጥ ትርከብ። ኣብዚ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ እናዓበየ ንዝመጽእ ዘሎ ናይ ኦንላይን ዕዳጋ ድማ ከም ዓብዪ ዕድል ክትጥቀመሉ ኣላ። ከም ሞባይል ስልኪ፣ ‘ኤይር ኮንድሽኒን’ [ንዋዒን ዛህሊን ዘመጣጥን ኤለክትሪኒካዊ ኣቕሓ]፣ ቴሌቪዥናት ዝበሉ ኣቑሑ ኤሌክትሮኒክስ ኣብ ዋትሳፕን ፌስቡክን ብምውዕዋዕ ትሸይጥ። ቅድም ኢሉ ቋንቋ ፈረንሳ ትምህር ነይራ፤ ነዚ ስርሓ ገቲኣ ድማ ኣብ ንግዲ ኦንላይን ብምድሃብ ኣታዊኣ ከተዕቢ ክኢላ ኣላ። “ካብ መምህርነት ዝሓሸ ኣታዊ ኣለዎ። ሓደ ኣቕሓ ሸይጠ ካብቲ መምህር ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ዝኽፈለኒ ወርሓዊ መሃያ ዝበልፅ እረክብ። ኣደ ቆልዑት እየ፤ ብዝኸኣልክዎ ደቀይ ኣብ ፅቡቕ ክመሃሩ ድልየት ኣለኒ” ትብል። ኣብ ናይ ኦንላይን ንግዲ ዕውት ንክትኸውን ምስ ዓማዊል ዘለካ ርክብ ዝጸንሐ ክኸውን ከም ዝግባእ ትምዕድ። “ከምኡ እንተኾይኑ ካባኻ ይዕድጉን ተመሊሶም ይመፅኡኻን” ክትብል እውን ተሞክሮኣ ተካፍል። ኣዮባሚ ላዋል እዛ ጓል 34 ዓመት ናይጄርያዊት ኣብዚ እዋን ኣብ ጎደናታት ከተማ ሌጎስ ናይ ታክሲ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ትርከብ። ነዚ ኣገልግሎት እትህበሉ መገዲ ድማ ኡበርን ቦልትን ብዝበሃሉ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝህቡ ኩባኒያታት እዩ። ኣደ ኣርባዕተ ቆልዑን ምስ በዓል ሓዳራ ዝተፋትሐትን ኣዮባሚ ከም እትብሎ እዚ ስራሕ ፈተናታት ኣይሰኣኖን። ገለ ደቂተባዕትዮ ብጓልኣንስተይቲ መራሒት መኪና ናብ ዝደለይዎ ቦታ ክኸዱ ኣይደልዩን። “ኣብ ሌጎስ ነዚ ስራሕ ምስ ጀመርኩ ብዙሓት ደቂተባዕትዮ ታክሲ ጠሊቦም ምስ ከድክዎም ጓልኣንስተይቲ ምዃነይ ምስ ረኣዩ ነቲ ጠለቦም ይስርዝዎ ነይሮም” ትብል ካብ ዘጋጥምዋ ብድሆታት ነቲ ሓደ ክትጠቅስ ከላ። ወሲኻ፡ “ሌጎስ ዝተጨናነቐት ከተማ እያ። ናብ ማእኸል ከተማ ክትዝውር እንተኾይንካ ተባዕ ክትኸውን ኣለካ። ደቂተባዕትዮ ኣነ ከምኡ ዝበለ ጥንካረ ከም ዘለኒ ኣይግንዘቡን። ናብ መኪናይ ክኣትዉ እንተኾይኖም ከእምኖም ኣለኒ” ትብል ጆሴፊን። ‘ካሪቡ ዲጂታል’ ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል መፅናዕቲ ንኹነታት እዘን ሰለስተ ደቂኣንስትዮን ካልኦትን ብዝምልከት ዳህሳስ ኣብ ምክያድ ይርከብ። እቲ ትካል ከም ዝሕብሮ፡ ብዙሓት ኣብዚ ናይ ኦንላይን ኣገልግሎት ታክሲ ዝዋፈራ ደቂኣንስትዮ ምስ ድሕንነተን ብዝተሓሓዝ ስግኣታት ኣለወን። መራሒት እቲ መፅናዕቲ ግሬስ ነታባሎ “ብዙሓት ዘዘራረብናየን ደቂኣንስትዮ ሰባት ከብፅሓ ከለዋ ፆታዊ ትንኮያታት ከም ዝበጽሐን ሓቢረናና እየን” ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ። መንግስታት ንደቂኣንስትዮ ናብዚ ስራሕ ንኽኣትዋ ከተባብዑ ከለዉ በቲ ኻልእ ገፅ ዘሎ ስግኣታት ድሕነት እውን ኣብ ግምት ከእትዉ ከም ዘለዎም’ያ ትገልፅ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61332617"} {"headline":"ኬንያ፡ ንፕረዚደንትነት ዘማዕዱ ዘሎ ደጋፊ ኣርሰናል ራይላ ኦዲንጋ","content":"ራይላ ኦዲንጋ፡ ኣብ ኬንያ ካብ ፍሉጥ ስድራቤት'ዩ መጺኡ። እንተዀነ፡ ድሕሪ ናጽነት ምኽትል ፕረዚደንት ኰይኑ ንዘገልገለ ኣቦኡ ፖለቲካዊ ዘውዲ ከምልጦ ከም ዝጸንሐ ንዕኡ'ውን ንዓሰርታት ዓመታት ክትሃድሞ ጸኒሓ'ያ። ኣብ 2008 ቀዳማይ ሚኒስትር ኰይኑ ተሸይሙ ዝነበረ ወዲ 77 ዓመት ኦዲንጋ፡ ኣብቲ ትሸዓተ ነሓሰ 2022 ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኬንያ፡ ንሓምሻይ ግዜ'ዩ ፈተነ ከካይድ። ኦዲንጋ፡ ኣፍቀርቲ ሰዓብቲ ኣለውዎ፤ እዞም ዝፈትውዎ ደገፍቱ ክኣ \"ባባ\" (ኣቦ)፣ \"ኣግዋምቦ\" (ስራሕ ኣምላኽ)፣ ከምኡ'ውን \"ቲንጋ\" [ትራክተር] ኢሎም ይጽውዑዎ። ትራክተር፡ ኣብ 1997 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ዝተጠቐመሉ ምልክት ናይቲ ዝውክሎ ሰልፊ'ዩ ነይሩ። ኦዲንጋ፡ ደጋፊ ኢንግሊዛዊት ጋንታ ኣርሴናል'ዩ። ኣብ ኩሎም መረጻታት ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ቅዲ ሒዙ'ዩ ዝመጽእ። ኣብዚ ናይ ሕጂ መረጻ፡ ብስዋሂሊ 'Azimio la Umoja' (መርኣያ ሓድነት) ዝብል ጭርሖ ሒዙ ይወዳደር ኣሎ። በዚ ቀልቢ ደገፍቲ ተሰናባቲ ፕረዚደንት ኡህሩ ኬንያታ ክገዝእ ይፍትን ኣሎ። ንሱ፡ ፕረዚደንት ኬንያታ ዝጀመሮም ኣጀንዳታት ልምዓት ንቕድሚት ክወስድን ውጹዕ ህይወት ንዝመርሑ ዜጋታት ወርሓዊ 6,000 ሽሊንግ [50 ዶላር] ብምሃብ ክሕግዝ ምዃኑን ይመጻባዕ። እቲ ገንዘብ፡ ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ሰፊሕ ብልሽውና ብምስባር ዝርከብ ምዃኑ ይዛረብ። ብተወሳኺ በቲ \"ባባ ኬር\" ኢሉ ዝሰመዮ ንምኽፋሉ ዝከኣል ኣገልግሎት ጥዕና ክህሉ ከም ዝገብር ይዛረብ። በዚ ከኣ፡ ኣቦ ልዕሊ 56 ሚሊዮን ህዝቢ ኰይኑ ክርኣይ ይደሊ። እቲ ወዲ 77 ዓመት፡ እቲ ሎምዘበን ዘካይዶ ፈተነ ናይ መወዳእትኡ ድዩ? ዝብል ኣይፍለጥን። ብ2017 ኣብ ዝተኻየደ ፕረዙደንታዊ መረጻ \"ናይ መወዳእታ ዓረር\" ኢሉ ነይሩ። ኣብ ወርሒ መጋቢት 2022 ምስ ቢቢሲ ፎከስ ኦን ኣፍሪቃ ኣብ ዝነበሮ ቃለ መጠይቕ፡ ኬንያውያን ኣብኡ ብዘለዎም \"ልዑል እምነት ዳግም ንፕሬዝደንትነት ክወዳደር ከም ዝሓተቱዎ\" ተዛሪቡ ናይ መርገጺ ለውጢ ምግባሩ ኣርእዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ክኣ፡ ሚኒስትሪ ፍትሒ ንዝነበረት ማርታ ካሩዋ ምኽትል ፕሬዝደንት ገይሩ ሓርዩ ኣሎ። እዚ ታሪካዊ'ዩ፣ ምኽንያቱ ናይ መጀመርታ ጓል ኣንስተይቲ ምኽትል ዝመረጸ እዩ። ጥምረት ክልቲኦም ተነሓናሕቲ ድማ፡ ብዙሓት ምስቲ ፕረዙደንት ጆ ባይደንን ምኽትሉ ካማላ ሃሪስን ዝነበሮም ጥምረት የወዳድሩዎ ኣለው። ኦዲንጋ፡ ቁልፊ ኣብ ዝበሃሉ ከባቢታት - ማእከላይ፣ ምብራቕን ገምገም ኬንያ ዝወዳደር ኰይኑ እዚ ልዕሊ 50 ሚኢታዊት ድምጺ ክረክብ የኽእሎ። ኦዲንጋ፡ ወራሲ ፖለቲካዊ ኣሰር ኣቡኡ ጃራሞጊ ኦዲንጋ ተገይሩ'ዩ ዝርኣይ፤ ንሱ፡ ድሕሪ ናጽነት ፈላሚ ምኽትል ፕረዚደንት ኬንያ እዩ ነይሩ፤ እንተዀነ ብ1966 ምስቲ ኣብቲ ግዜ ፕረዚደንት ዝነበረ ጀሞ ኬንያታ (ኣቦ ፕሬዝደንት ኡህሩ ኬንያታ) ክሰማምዑ ብዘይምኽኣሎም ካብቲ መንግስቲ ወጺኡ። ጃራሞጊ ኦዲንጋ፡ ሃገሩ ምስ ሕብረት ሶቭየትን ቻይናን ጽቡቕ ርክብ ክህልዋ እንትደሊ፡ ጀሞ ኬንያታ ግን እቲ ርክባት ምስ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን ክኸውን ይመርጽ። ኣፈላላዮም እናሰፍሐ ምስ ከደ፡ ጃራሞጊ ኦዲንጋ ን18 ኣዋርሕ ተኣሲሩ፤ ብ1971 ተፈቲሑ። ራይላ'ውን ተኣሲሩ እቲ ዝነውሐ ናይ ማእሰርቲ ግዜ'ውን ኣሕሊፉ'ዩ። ኣንጻር ምልኪ ሓደ ሰልፊ ዝገብሮ ቃልሲ ክልተ ግዜ (ካብ 1982 ክሳብ 1988 ከምኡ'ውን ካብ 1989 ክሳብ 1991 እዋን ጀሞ ኬንያታን ዳኒኤል ኣራፕ ሞይን) ንማእሰርቲ ዳሪግዎ እዩ። መጀመርታ፡ ብ1982 ዕልዋ መንግስቲ ከካይድ ፈቲኑ ተባሂሉ ክእሰር እንከሎ፡ እዚ ኣጋጣሚ ብደረጃ ሃገር ንክፍለጥ ኣኽኢሉዎ። ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት፡ ስርዓተ ብዙሕነት ሰልፊ ምስ ተኣታተወ፡ ናብ ስልጣን ንምምጻእ ዝገበሮም ተደጋጋምቲ ፈተነታት ክሰምረሉ ኣይክኣለን። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ውጽኢት መረጻ ተታሊለ'የ እዩ ዝብል። እዚ፡ ብፍላይ ኣብ 2007 ኣብ ዝነበረ መረጻ ናይቲ ግዜ ፕረዚደንት ሙዋይ ኪባኪ ውጽኢት መረጻ ኣታሊሉ'ዩ ኢሉ ብምእማኑ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ዓቢ ቅልውላው ኣስዒቡ እዩ። ድሕሪ እቲ መረጻ ኣብ ዝስዓበ ናዕቢ ኣስታት 1200 ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ ልዕሊ 500 ሽሕ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም። እዚ ጸገማት ንምፍታሕ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ኮፊ ኣናን ዝመርሖም ሽምግልናታት ድሕሪ ምክያዶም፡ ልፍንታዊ መንግስቲ ተመስሪቱ ቀዳማይ ሚኒስትር ኰይኑ። እንተዀነ ምስ ኪባኪ ዝነበሮ ርክብ ሓርፊፉ ቀጺሉ። ብ2017 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ብኬንያታ ክስዓር እንከሎ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ግን ረቲዑ። እንተዀነ እቲ ዳግም መረጻ ንክካየድ ዝቐረበ ሓሳብ እኹል መጻወቲ ሜዳ የለን ብምባል ነጺጉዎ። እዚ ክኣ ኬንያታ ዳግም ንክምረጽ ኣኽኢሉ። እዚ፡ ህዝቢ ናይ ምልዕዓል ተክእሎ ከም ዘለዎን በሊሕ ስትራቴጂስት ምዃኑን ዝንገረሉ ኦዲንጋ፡ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዘካየዶ ጎስጓስ፡ ንርእሱ \"ናይ ህዝቢ ፕሬዝደንት\" እየ ኢሉ ኣዊጁ። ደገፍቱ ክኣ፡ ኬንያታ ዳግም ብምምራጹ ዝነበሮም ሕርቃን ንምግላጽ፡ ኣብ ልዕሊ ብስድራ ኬንያታ ዝውነኑ ትካላት ንግዲ ኣዲሞም። እዚ፡ ዜጋታት ዘለዎም ፖለቲካውን ቁጠባውን ቁጥዐታት ካብ ሞንጎ ዝገለጽሉ ተቓውሞ እዩ ነይሩ። ገሊኦም ናብ ጎነጽ ዝተቐየሩ ኰይኖም፡ ብሰንኩ ህይወት ሰብ ጠፊኡን ሰፊሕ ቁጠባዊ ሃሰያ ወሪዱን እዩ። ኣብ 2018፡ ክልቲኦም ፖለቲከኛታት ዕርቂ ምስ ኣውረዱ ግን፡ ዋላ'ውን ብምኽባር ዋጋታት ዝርኣይ ቁጥዐ እንተሎ ኣብ ኬንያ ብዙሕ ሰልፊ ተቓውሞ ኣይተርኣየን። ክልቲኦም፡ ኣብ ሕገ መንግእቲ እታ ሃገር ምምሕያሻት ንምግባር \"ተበግሶ ህንጸት ድልድላት\" ዝብል ሓሳብ ኣበጊሶም። ኬንያ፡ ደገፍቱ ናብ ኦዲንጋ ከዘንብሉ ምግባሩ፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ፖለቲከኛታት ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ውጥጥ ንከብቅዕ ዝገብር ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስትርነት ንክህቦ ደልዩ'ዩ ዝብሉ ሓሜታት ክልዓሉ ገይሩ ኣሎ። እንተዀነ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እቲ ፕሬዝደንት ካብ ሕጊ ወጻኢ ዕረያታት ንምግባር ተንቀሳቐሱ'ዩ ብዝብል ነቲ ተበግሶ ውድቂ ገይሩዎ። ዝዀነ ዀይኑ ግን፡ ኬንያታ፡ ኣብ ክንዲ ምኽትሉ ዊልያም ሩቶ ኦዲንጋ ንክምረጽ ጸቕጢ ምግባር ቀጺሉ ኣሎ። ኦዲንጋ፡ ንማማ ኢዳ ዝተመርዓወ ኰይኑ ኣርባዕተ ቈልዑ ኣለውዎ። ካብ ደቁ እቲ ሓደ ፊደል ዝብሃል ኳዓኦይኑ፡ ሽሙ ካብ ኲባዊ መራሒ ፊደል ካስትሮ ዝተወስደ እዩ። ኦዲንጋ ኣብ ሓደ እዋን ብዛዕባ እዚ ክዛረብ እንከሎ፡ ወዱ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ስለ ዝተወልደን \"ኣብ እዋን ኲናት ቬትናም ካስትሮ ኣንጻር ኣመሪካ ጠጠው ኢሉ ብምንባሩን\" ከም ዝዀነ ኣብሪሁ ነይሩ። እቲ ስርወ ንግስናዊ ባህሊ ንምቕጻል፡ ኦዲንጋ ወዱ ኣብ ፖለቲካ እዛ ሃገር ንክትክኦ ሓጺዩዎ እኳ እንተነበረ፡ ፊደል ኣብ መበል 41 ዓመቱ ብ2015 ሞይቱ። ጓሉ ሮዝማሪ ክኣ ብ2017፡ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ሻውል ወኪላ ኣባል ባይቶ ንምዃን ክትወዳደር ምዃና ወግዓዊ ገይራ ነይራ፤ ኣቡኣ ነዚ ከባቢ ን20 ዓመታት ወኪሉዎ'ዩ። እንተዀነ፡ ጥዕናዊ ጉዳያት ምኽንያት ብምግባር ካብቲ ውድድር ንርእሳ ኣግሊላ። ኦዲንጋ፡ ኣብ ኬንያ ሃፋትም ካብ ሞንጎ ዝብሃሉ እዩ። ኣብ መፍረ ጋዝ ስሊንደር፣ ፍርያት ኤታኖልን ካልኦትን ክኣ ድልየት ኣለውዎ። ሉዎ፡ ኣብ ኬንያ ራብዓይ ዝዓበየ ብሄር ኰይኑ፡ ራይላ'ውን ተወላዲ እቲ ብሄር'ዩ። ኣብዚ መረጻ እንተተዓዊቱ ድማ ፈላማይ ካብ ሉዎ ዝወጽአ ፕሬዝደንት ክኸውን እዩ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61702518"} {"headline":"ሰሙናዊ ልዕሊ 200 ንዝኾኑ ስኡናት መግቢ ዝቕርብ ኤርትራዊ ስደተኛ ክነላልየኩም","content":"በላይ ተኽለኣብ ኣብ ኬንያ 20 ዓመት ዝጸንሐ ኤርትራዊ ስደተኛ ኮይኑ፡ ከባቢ 250 ንዝኾኑ ስኡናት ወትሩ ረቡዕ መግቢ ምቕራብ ካብ ዝጅምር ሓደ ዓመት ኣቑጺሩ ኣሎ። ከምዚ ክገብር ዝደረኾ እንታይ'ዩ? ነቲ ወጻኢታት መን ይሕግዞ?","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61391429"} {"headline":"ኣብ ኬንያ ብህይወት ዘየለው ርብዒ ሚሊዮን መረጽቲ ተመዝጊቦም ተረኺቦም","content":"ኬንያ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ኣብ እተካይዶ መረጻ ብህይወት ዘየለው ልዕሊ 250 ሽሕ መረጽቲ ተመዝጊቦም ከም ዝተረኸቡ ኤጀንሲ መረጻ ኬንያ ገሊጹ። ኮሚሽን መረጻን ባውንደሪስን ዝተባህለ ዘይሻራዊ ትካል መረጻን ፈጻሚ ህዝበ ውሳነን ኬንያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ምዝገባ መረጽቲ ብዘካየዶ መርመራ ብህይወት ዘየለው ሰባት ተመዝጊቦም ከም ዝረኸበ ኣፍሊጡ። ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ድምጺ ንምሃብ ካብ ሞንጎ ዝተመዝገቡ እቶም ፍርቂ ሚሊዮን ዝዀኑ ልዕሊ ሓደ ግዜ ዝተመዝገቡ ምዃኖም ሓቢሩ። እቲ ትካል፡ 226 ሽሕ ሰባት ድማ ኣብ ናይ ባዕሎም ኣብ ዘይኰኑ ሰነዳት ድምጺ ንምሃብ ከም ዝተመዝገቡ ኣረጋጊጸ ይብል። ብጠቕላላ፡ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን መረጽቲ ብዘይሕጋዊ መስርሕ ድምጺ ንምሃብ ተመዝጊቦም ተረኺቦም። እቲ ትካል፡ ዝርዝር መረጽቲ ትማሊ ወግዓዊ ክገብር ይግብኦ ነይሩ። እንተዀነ ካብ ሕጋዊ መስርሕ ወጻእ ተመዝጊቦም ዝተረኽቡ ሰባት ብምህላዎም ናይ መወዳእታ ሕጋዊ መረጽቲ ኣረጋጊጹ ወግዒ ዝገብረሉ መዓልቲ ክናዋሕ ከም ዝገብሮ ኣቦ መንበር እቲ ትካል ዋፉላ ቼቡካቲ ሓቢሩ። ኣብዛ ሃገር ቅድም ኢሎም ኣብ ዝተኻየዱ መረጻታት ዘጋጥሙ ምትላላት፡ ድሕሪ መረጻ ንዝፍጠሩ ናዕብታት ምኽንያት ክዀኑ ጸኒሖም’ዮም። ኣብቲ ኣብዚ ዓመት ወርሒ ነሓሰ ዝካየድ መረጻ፡ ኣብ መንጎ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ራይላ ኦዲንጋን ምኽትል ፕሬዝደንት ዊልያም ሩቶን ሓያል ንሕንሕን ክህሉ ትጽቢት ይግበር።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4nlxj7n3l2o"} {"headline":"ደቀን ወይ ስረሐን ክመርጻ ዝግደዳ ዘለዋ ኣደታት","content":"ጓል 25 ዓመት ሶፊ ሳሮንጌ፡ ምስ ወለደት ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ናብ ስራሕ ምምላሳ የጣዕሳ። ንውላዳ ከምቲ ዝምከር ንሽዱሽተ ወርሒ ጸባ ጡብ ክትህብ ኣይከኣለትን። እታ በዓልቲ ሞያ ስነ መግቢ ዝዀነት ንእስቲ፡ ንስድራ ቤታ ገንዘብ ስለ ዘድሊ ካልእ ኣማራጺ ከም ዘይነበራ ትገልጽ። \"ንህላወና ክብል ናብ ስራሕ ክምለስ ነይሩኒ\" ትብል። እንተኾነ ንጥዕና ጓላ ግጉይ ውሳነ ከም ዝገበረት እዮም ሰባት ዝነግርዋ። ሰብ ሞያ ጥዕና ኬንያ፡ ህጻናት ኣብቶም ናይ መጀመርታ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጸባ ጡብ ጥራሕ ክወስዱ እዮም ዝምዕዱ። መንግስቲ እውን እንተዀነ፡ ኣፍረይቲ ጸባ ፎርሙላ ኣብ ምህርታቶም ንጸባ ጡብ ኣደ ቀዳምነት ክወሃብ ከም ዘለዎ ክጽሕፉ የገድዶም እዩ። ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ መጀመርታ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንህጻናት ጸባ ጡብ ኣደ ጥራሕ ምሃብ፡ ከም ብዙሕ ዓይነት ሕማማት ዝከላኸል ክታበት ከም ዝቑጸር ይገልጽ። “ዋላኳ ኣብ ሰብነታ ብቐሊሉ ከም ዘይሓቅቕ እንተፈለጥኩ ንጓለይ ጸባ ላሕሚ ከስትያ ነይሩኒ” ትብል ሳሮንጌ። ዋጋ እቲ ንህጻውንቲ ብዝሰማማዕ ተዳልዩ ዝቐርብ ጸባ ላጽሚ “ኢንፋንት ፎርሙላ” ብምኽባሩ ንምግዛእ ዓቕሚ የብላን። እቲ ዝኸፍአ ድማ እቲ ዝረኸበቶ ናይ ሰለስተ ወርሒ ናይ ወሊድ ፍቓድ ብዘይክፍሊት ምዃኑ እዩ፤ ምኽንያቱ ከም ብዙሓት ኬንያውያን ናይ ወሊድ ዕረፍቲ ክትረክብ ዘኽእላ ሕጋዊ ናይ ስራሕ ውዕሊ የብላን። ካልኦት ዕድለኛታት ግን ኣለዋ። በዓል ቤታ ጽቡቕ ኣታዊ ዘለዎ ካሮላይን ዋይሪሙ፡ መናቱ ምስወለደት፡ ነቲ ናይ ማርኬቲንግ ስራሓ ገዲፋቶ። “ኣዶታት ንደቀን ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ጸባ ጡብ ጥራሕ ከጥብዋ፡ ደሞዝ ዘለዎ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ዕረፍቲ ክፍቀደለን ኣለዎ” ትብል። ኣብዚ እዋን ሕጋዊ ናይ ስራሕ ውዕሊ ዘለወን ወላዳት ፡ ደሞዝ ዘለዎ ናይ ሰለስተ ወርሒ ዕረፍቲ እዩ ዝፍቀደለን። ተሓላቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ሩት ሙምቢ፡ መንግስቲ ንጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ ቆላሕታ ኣይገብርን ክትብል ትነቅፍ። ቢቢሲ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ካብ ሚኒስትሪ ዕዮ መልሲ ንምርካብ ፈቲኑ ኣይሰመረን። ባይቶ ኬንያ፡ ትካላት ኣዶታት ደቀን ዘጥቡዋሎም ክፍሊታት ከዳልዉ ብ2016 ዘውጸኦ እማመ ሕጊ ኰይኑ ክጸድቕ ፕረዚደንት ኡህሩ ኬንያታ ክፍርመሉ ኣይከኣለን። ናይ ጉልበት ስራሕ እናሰርሐት ጓላ በይና እተዕቢ ኤቭሊን ሙዌኒ፡ ምስ ወለደት ድሕሪ ሓደ ወርሒ ስራሕ ክትጅምር ነይሩዋ። “ኣነ ናይ መግብን ክራይ ገዛን ወጻኢታት ንምሽፋን ኣብ እንዳሰብ ክዳውንቲ ክሓጽብን ገዛ ከጽርን  እንትኸይድ፡ ጓለይ ጸባ ላሕምን ስብቆን ምስ ዝህብዋ ጎረቤተይ ክገድፉ ነይሩኒ” ትብል። ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኬንያ ዳይሬክተር ስነ መግቢ ቬሮኒካ ኪሮጎ፡ ስሩዕ ኣብ ዘይኮነ ስራሕቲ ዝተዋፈራ ኣደታት፡ ጸባ ጡብን ሓሊበን ክሳብ ሸሞንተ ሰዓታት ኣብ ዝሑል ማይ ብምቕማጥ ንደቀን ከስትያ ከም ዘለወን ትመክር። ሙዌኒ ግና ጡባ እኹል ጸባ የመንጩ ስለ ዘይነበረ ጸባ ላሕሚ ምቕራብ ከም ዝቐላ ትዛረብ። ብመዳይ ጥዕና ህጻናት ቀልጢፎም ጡብ ክገድፉ ከም ዘይምከር ዝገልጽ ዶክተር ሞሰስ ላንጎ ገለ እዋን ግና ድሕሪ ከባቢ ኣርባዕተ ወርሕን ፈረቓን ህጻናት መግቢ ናይ ምውሳድ ድልየት ኣብ ዘርእዩሉ ጡብ ዝገድፉሉ ኩነታት ክህሉ ከም ዝኽእል ይዛረብ። ኰይኑ ግና ኣደታት ደቀን ጸባ ጡብ ክምግባ ኣህጉራዊ ድፍኢት ኣሎ። ውድብ ጥዕና ዓለም፡ “ጸባ ጡብ ናይ ምግንዛብ ተኽእሎን ናይ ምምሃር ድልየትን የመሓይሽን፤ ቈልዑ ምስ ዓበዩ ድማ ጽቡቕ ኣታዊ ዘለዎም ክኾኑ ይገብርን” ይብል።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cxr72dqnewwo"} {"headline":"ኬንያ: ሓደ ኣባል ፖሊስ ንበዓልቲ ቤቱ ሓዊሱ ሽድሽተ ሰባት ቀቲሉ","content":"ሓደ ኣባል ፖሊስ ኬንያ ናብ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ብዝተወሃቦ ጠበንጃ (ክላሽን) ንበዓልቲ እንድኡ ሓዊሱ ሽድሽተ ሰባት ከምዝቐተለ ተገሊፁ። ሓደ ጎረቤት እቲ ኣባል ፖሊስ ሎሚ ከባቢ ሰዓት 1፡00 (ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ) ኣብ ናይቲ ፖሊስ ገዛ ከቢድ ተኹሲ ክትኮስ ከምዝሰምዐ፡ ፀብፃብ ፖሊስ ኣመልኪቱ። እዚ ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ ካቤቴ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ዝነብር ኣባል ፖሊስ፡ ሂወት በዓልቲ ቤቱ ተኵሱ ምስ ኣጥፈአ በዚ ኣየብቀዐን፡ ናብ ደገ ብምውፃእ ንካልኦት ሓሙሽተ ሰባት ብኣልማማ ተኲሱ ቀቲሉ። እቲ ኣባል ፖሊስ ኣብ መወዳእታ ርእሰ-ቅትለት ከምዝፈጸመ ተፈሊጡ። እቲ ፖሊስ ንምንታይ ነዚ ቅትለት ከምዝፈፀመ ዛጊድ ኣይተነጸረን። ኣገልግሎት ዜና ኤ ኤፍ ፒ፡ ንፖሊስ እታ ሃገር ብምፅራሕ (ብምጥቃስ)፡ እቶም መፃምዲ ቅድሚ ሕዚ ብርቱዕ ፅልኢ ከምዝነበሮም ፀብፂቡ። ሓለቓ ፖሊስ ፍራንሲስ ዋሆሜ፡ “ክሳብ ሕዚ ኣብ ባህሪ እቲ ኣባል ፖሊስ ዝኾነ ስግኣት ኣይነበረናን። ስርሑ ብዝገባእ እዩ ዝሰርሕ ነይሩ፤ ቅድሚ ሕዚ’ውን ኣብ ከምዚ ዓይነት ተግባር ተሳቲፉ ኣይፈልጥን” ክብል ንማዕኸን ዜና ሮይተርስ ገሊፁ። እዚ ንሓለዋ ብዝተወሃቦ ብረት ቅትለት ዝፈፀመ ኣባል ፖሊስ ኬንያ ቤንሰን ኢምባሲ፡ ንበዓልቲ ቤቱ ምስቀተለ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ካልኦት ሰባት ተኹሲ ከፊቱ። ፖሊስ ኬንያ ኣብ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ቅትለት እንክሳተፍ እዚ ፈላማይ ኣይኮነን። ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ካሮላይን ካኖጎጎ ዝተብሃለት ኣባል ፖሊስ ንመሳርሕታ ሓዊሱ ንክልተ ደቂተባዕትዮ ብምቕታላ ኣዛራራቢት ኮይና ኔራ። ካሮላይን ነቶም ሰባት ድሕሪ ምቕታላ ሞይታ ተረኺባ። ፖሊስ ኬንያ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 2020፡ ምስ ስነ-ኣእምሮኣዊ በሰላታት ንዝቃለሱ ኣባላት ፖሊስ ንምሕጋዝ መደብ ምጅማሩ ይዝከር። ቅድም ክብል፡ ሓለቓ ፖሊስ ሂላሪ ሙታምቤ፡ “ወጥርን ስምባደን” ዘጋጥሞም ኣባላት ፖሊስ ፈውሲ ንዝጠልብ ስነ ልቦናውን ስምዒታውን በሰላ ክቃልዑ ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቑ ኔሩ። ነዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ቅትለት ዝፈፀመ ቤንሰን ኢምባሲ፡ ንበዓልቲ ቤቱ ምስ ቀተለ፡ ናብ ህዝቢ ወፅዩ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ብኣልማማ ክትኩስ ከምዝጀመረ፡ ፖሊስ እታ ሃገር ገሊፁ። ካልእ ምስክር ዓይኒ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል ድማ፡ “ምስ ዘወርቲ ሞተር ሳይክል ናብ ዝነበርና ሰባት ጠበንጃ (ክላሽን) ሒዙ መፅዩ፡ ካብኡ ኣብ ልዕሌና ክትኩስ ጀሚሩ” ኢሉ። ክልተ ዘወርቲ ሞተር ሳይክል በቲ መጥቃዕቲ ካብ ሞንጎ ዝተቐተሉ ግዳያት እንትኾኑ፡ ካልኦት ክልተ ሰባት ድማ ተጎዲኦም ኣብ ሆስፒታል ይርከቡ። ነቲ ቅትለት ስዒቡ፡ ኣብ ካበቴ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ከምዝነበሩ መራኸብቲ ሓፋሽ ኬንያ ፀብፂበን።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59568317"} {"headline":"ኬንያ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዘይወሰዱ ሰባት መንግስታዊ ኣገልግሎት ክትኸልኦም’ያ","content":"መንግስቲ ኬንያ ካብ ዝመጽእ ወርሒ ጀሚሩ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዘይወሰዱ ዜጋታት መንግስታዊ ኣገልግሎት ከምዘይረኽቡ ኣፍሊጡ። ሚኒስትሪ ጥዕና ሙታሂ ካግዌ ዘይተኸትቡ ሰባት ካብ ህዝባዊ መጓዓዝያ፣ ናይ ውሽጢ ሃገር በረራታትን ኣገልግሎት ባቡርን ከም ዝኽልከሉ ሓቢሩ። ናብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፣ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን፣ እቶትን ካልኦት ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት መንግስትን ዝኸዱ ኬንያውያን ምስክር ወረቐት ክታበት ከርእዩ ክግደዱ’ዮም። እዚ መምርሒ ካብ 21 ታሕሳስ 2021 ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እዩ። ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ድማ ልዕሊ 15 ዓመት ዝዕድመኦም ክታበት ፋይዘር ክወስዱ’ዮም። ኬንያ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 10 ሚልዮን ዜጋታት ክትኸትብ መደብ ሒዛ ኣላ። ክሳብ ሕጂ ትሕቲ 10 ሚኢታዊት ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ጥራይ እዩ ክታበት ኮሮናቫይረስ ወሲዱ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59371522"} {"headline":"ዝተበላሸው ቴለፎናት ኣፍሪቃ ንምንታይ እዮም ናብ ኣውሮጳ ዝለኣኹ?","content":"ኤሪክ ኣርተር ባህግታቱ ንምፍጻም ዝኸውን ብዙሕ ናይ ዕረፍቲ ግዜ የብሉን፤ ቀዳመ ሰንበት ኣብ መላእ ጋና ብምዛርን ዝተበላሸዋ ቴለፎናት ኣብ ምእካብን እዩ ዘሕልፎ። ኣብ ሓደ ቀዳመ ሰንበት ካብቲ ኣብ ኬፕ ኮስት ዝርከብ ገዝኡ ክሳዕ ልዕሊ 160 ኪሜ ብምዝዋር ናብ ድኳናት ጽገና ሞባይልን መአከቢታት ሮታመን ይበጽሕ። ኣብቲ ዕውት ዝኾነሉ ቀዳመ ሰንበት ክሳዕ 400 ስብርባር ቴለፎናት ከምዝእክብ ይነግር። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣብ ካልእ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ተመሳሳሊ ንጥፈታት ዝተዋፈሩ ካልኦት ሽዱሽተ ወኪላት የወሃህድን ይመርሕን። ብሓፈሻ ኣብዚ ዓመት ኩላቶም ብሓባር ከባቢ 30,000 ቴለፎናት ክእክቡ ይትስፈው። ኤሪክ ኮነ እቶም ወከልቱ ነተን ዝተበላሸዋ ቴለፎናት ብትሕቲ ፍርቂ ዶላር (44 ሳንቲም) እዮም ዝዕድግወን። እተን ቴለፎናት ክዕረያ ዘይኽእላ እኳ እንተኾና ብዙሕ ግዜ ሰባት ቴለፎናቶም ክሸጡ ቅሩባት ኣይኮኑን፤ ስለዚ ክተእምኖም ኣሎካ ይብል ኤሪክ። “ሓዳስ ኣንድሮይድ ቴለፎን ኣስታት 150 ዶላር እያ እትዕደግ ኣነ ከኣ ትሕቲ ሓደ ዶላር ክህበኩም እየ ዝብሎም። ወላ’ኳ ደጊሙ ዘየገልግሎም እንተኾነ፡ ‘ብኽንድዚ እኮ እየ ዓዲገያ። ኣመና ኣሕሲርካዮ’ ይብሉኻ።” ኤሪክ ነቲ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ዝሰርሖ ስራሕ ብሓደ ‘ክሎዚን ዘ ሉፕ’ ዝተበሃለ ሆላንዳዊ ኩባንያ እዩ ዝኽፈሎ። እቲ ኩባንያ ነተን ብኤሪክን መሳርሕቱን ዝተኣከባ ቴለፎናት ናብቲ ተጨፍሊቐን ዳግም ዝምስርሓሉ ኣውሮጳ ይልእኸን። ብድሕሪኡ ብፍሉይ ኣገባብ መምኸኺ ብምጥቃም ነቲ ፕላስቲክ ብምቅጻል ካብቲ ሓጺን ነቲ 90% ከምዝእከብ ይግበር። ግና ንምንታይ ናብ ኣውሮጳ እዚ ኩሉ ርሕቐት ክጓዓዝ ተደልዩ? ምስ ካልኣዩ ሪንሃርት ስሚት ብምዃን ን ‘ክሎዚን ዘ ሉፕ’ ዝመስረተ ጁስት ደ ክሉጂቨር እቲ መልሲ ቀሊል እዩ ይብል። ኣፍሪቃ ነቲ ነተን ቴለፎናት ንምስራሕ ዘገልግል ሒደት ዝዓቐኑ ክቡር ሓጻውን ንምእካብ ዘኽእል ምዕቡል ናይ መምኸኺ ትካላት የብላን። እንተኾነ ግና ዓመታዊ ኣብ ኣፍሪቃ ኣስታት 230 ሚልዮን ቴለፎናት ይሽየጣ። ካብ ስራሕ ወጻኢ ምስኮና ገለ’ኳ ናብ ዘይወግዓዊ ኢንዱስትሪ ዳግመ ምምስራሕ እንተኣተወ እቲ ዝበዝሐ ይጓሓፍ እዩ። ብመሰረት ጸብጻብ ‘ግሎባል ኢ-ዌስት ሞኒተር’ ኣብ 2019 ኣፍሪቃ 2.9 ሚልዮን ቶን ናይ ኤለክትሮኒክስ ጓሓፍ ክተፍርይ እንከላ እቲ 1% ጥራይ ብግቡእ ተኣኪቡ ዳግም ተመስሪሑ። “ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝኾነ ነገር እናጸገንካ ንነዊሕ ኣብ ምጥቃምን ብገለ ደረጃ ዳግም ኣብ ምምስራሕን ፍሉጣት እየን። ስለዚ እቲ ኣምር ኣሎ እቲ ግቡእ መሳርሒ ግና የሎን ብፍላይ ከኣ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጓሓፍ” ይብል ሚስተር ደ ክሉጂቨር። ‘ክሎዚን ዘ ሉፕ’ ሓንቲ ቴለፎን ናብተን ኣብ ኣውሮጳ ዝርከባ ኩባንያታት ከረክብ ከሎ 5 ዩሮ (5.60 ዶላር) ይኽፈል። እዚ ንመአከቢ፡ ንመጉዓዝያ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዳግም ንምምስራሕን ንመኽሰብን እቲ ኩባንያ ዘካተተ እዩ። እዚ ንእሽቶ ወፍሪ እኳ እንተኾነ ኣብ ኣከባቢ ዘለዎ ረብሓ ዓቢ እዩ። ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ዳግመ ምምስራሕ ትካላት ናይ ምክፋት ትልሚ ኣድላዪ እኳ እንተኾነ ሚስተር ደ ክሉጂቨር ዕቃበታት ከምዘለዎ ይገልጽ። ርጉእ ፋይናንስያዊ ሞዴልን ሕግን ኣብ ባይታ ከይተግበርካ እተን ትካላት ክብገሳ ክሳቐያ ምዃነን’ውን ይምጉት። ኣብ ኬንያ ናይ ዝርከብ ኣቕሑት ዳግም ዘመስርሕ ትካል ‘ዌስት ኤለክትሪካል ኤንድ ኤለክትሮኒክ ኤኪዩፕመንት ሰንተር’ (ዊኢ) ኣካያዲት ስራሕ ዝኾነት ሲሞን ኣንደርሰን’ውን ነዚ ብድሆታት ከምዘስተውዓለትሉ ትገልጽ። ኬንያ ብመንግስቲ ዝካየድ ሃገራዊ ስርዓት ዳግም ምምስራሕ የብላን። ኣብ ገለ ከባቢታት ጓሓፍ ናይ ምእካብ ኣገልግሎት ኣሎ። ንማእከል ዊኢ ናይ ምትካል ሓሳብ ካብ ሓደ ንኣብያተ ትምህርቲ ዝተመስርሓ ኮምፕዩተራት ዝቕርብ ናይ ግብረ ሰናይ ትካል እዩ ነቒሉ። ምስ ኣብያተ ትምህርቲ ዝሰርሖ ስራሕ፡ ነቲ ካብ ስራሕ ወጻኢ ዝኾነ ዘየድልይ ጓሓፋት ኤለክትሪክ ዝእለየሉ መገዲ ከምዘድሊ ኣርእይዎ፤ ኣብ 2012 ከኣ እቲ ናይ ዳግመ ምምስራሕ ማእከል ተመስሪቱ። ዊኢ ኣብዚ ዓመት ብቐንዱ ምስ ከም ቶታል ኤነርጅይስን ኣብሳን ዝኣመሰሉ ትካላት ውዕል ብምግባር 250 ቶን ኤለክትሮኒካዊ ጓሓፍ ክእክብ ተስፋ ኣለዎ። እዚ ግና ካብቲ ኬንያ ዓመታዊ እተፍርዮ 50,000 ቶን ዝግመት ኤለክትሮኒካዊ ጓሓፍ ኣዝዩ ሒደት እዩ። ሲሞን ኣብ መላእ እታ ሃገር ሰባት ዘየድልዮም ኤለክትሮኒካዊ ኣቕሑ ዘረክቡሉ ናይ መኣከቢ ነቑጣታት ናይ ምክፋት ዓብዪ ውጥን ኣለዋ። ኬንያውያን ኤለክትሮኒካዊ ጓሓፍ ኣብ ልዕሊ ኣከባቢ ብዛዕባ ዝፈጥሮ ሓስያ ዝያዳ ንቑሓት ይኾኑ ምህላዎምን ገለ ነገር ክገብሩ ከምዝደልዩን ሲሞን ትገልጽ። መንግስቲ ኬንያውን ነዚ ንምሕጋዝ ገለ ስጉምትታት ይወስድ ኣሎ፤ ንሱ ከኣ ነቲ ንኤለክትሮኒካዊ ኣቕሑ ዳግም ንምምስራሕ ዘድልይ ፋይናንስያዊ ሰኸም ናብ ኣፍረይቲ ወይ ከኣ ኣምጻእቲ ዝመልስ ‘ኤክስተንድድ ፕሮዲዩሰር ሬስፖንሲቢሊቲ ሌጂስሌሽን’ ዝተሰመየ ሕጊ ንምትእትታው ይሰርሕ ኣሎ። “ነዚ ንደፍኣሉ ኣሎና ምኽንያቱ እዚ ነታ ሃገር የድልያ እዩ፤ ደሓር ከኣ ኬንያ ንመላእ ኣፍሪቃ ጽቡቕ ኣብነት ክትኸውን ኢና እንደልያ” ትብል ሲሞን። ቤት ዕዮ ማእከል ዊኢ 10 ተክኒሻናት ክህልውዎ እንከለው፡ ነቲ ኤለክትሮኒካዊ ኣቕሑ ብጥንቃቐ ብምፍንጣሕ፤ ነቶም ከም ሓጺንን ነሓስን ዝኣመሰሉ ኣብኡ ከውጽእዎ እንከለው፤ ከም ወርቂ፡ ፕላቲንየምን ፓላድየምን ዝኣመሰሉ ኣብቲ ‘ሰርክዩት ቦርድ’ ዝርከቡ ክቡራት ማዕድናት ግና ኣብ ኣውሮጳን እስያን ዝርከቡ ምዕቡላት ትካላት ምምኻኽ ጥራሕ’ዮም ክወጹ ዝኽእሉ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ኬንያ ናይ መምኸኺ ትካል ናይ ምትካል ሕልሚ ከምዘለዋ’ውን ሲሞን ትገልጽ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59532664"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ: ሎሚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣቱ ጄፍሪ ፌልትማን ካብ ሓላፍነቱ ክሰናበት እዩ","content":"ካብ ሓላፍነቱ ከምዝለዓል ዝተነግረሉ፡ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣምባሳደር ጄፍሪ ፌልትማን ሎሚ ሓሙስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክገይሽ ምዃኑ ጸብጻባት ሓቢሮም። ሮይተርስ ንሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ጠቒሱ፡ ፌልትማን ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዝርራብ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ከብቅዕ ጸቕጢ ክፈጥር ምዃኑ ጸብጺቡ። እቲ ኲናት ኣብ ዝለዓለ ብርኪ በጺሑ፤ ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣባበ ገጾም ይግስግሱ ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ናብ ቱርኪ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ሱዳንን ግብፅን ዝተመላለሰ ፌልትማን፡ መንግስትን ሓይልታት ትግራይን እቲ ኲናት ብሰላም ክፈትሕዎ ምጽዓሩ ዝዝከር እዩ። ፌልትማን ሎሚ ብኢትዮጵያ ዝጅምር ጉዕዝኡ፡ ነቲ ኣብቲ ዞባ ንትሸዓተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ፍሉይ ተልእኾኡ ናይ መዛዘሚ መገሽኡ ከምዝከውን እዩ ዝዝረብ ዘሎ። ደማዊ ኲናት ትግራይ ካብ ዝጀመር ኣትሒዙ፡ ሰላማዊ ፍታሕ ንምንዳይ ክሕግዝ ብፕረዚደነት ጆ ባይደን ዝተሰየመ ኣምባሳደር ጄፍሪ ፌልትማ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብተደጋጋሚ ናብ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት'ቲ ዞባን ምምልላሱ ዝዝከር እዩ። ብፍላይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብተደጋጋሚ ዝተመላለስ ጄፍሪ ፌልትማን፡ ምስ ሰበ-ስልጣናት ኢትዮጵያን ኣብ ኬንያ ድማ ምስ ተወከልቲ ህወሓት ምዝታዩ ተዛሪቡ ነይሩ። ብተወሳኺ ፌልትማን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ፕሬዝዳንት ናይጄሪያ ነበር ኦሉሴጎን ኦባሳንጆ፡ ብተደጋጋሚ ከምዝመኸረ'ውን ዝዝከር ኮይኑ፡ ዛጊድ እዚ ዝበሃል ጭቡጥ ፍታሕ ግን ኣይተረኸበን። ካልኦት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣናት ኣመሪካ ድማ እቲ ኲናት ብሰላማዊ መገዲ ፍታሕ ክረክብ ተደጋጊሚ ጻውዒት ከስምዑ ዝተስተውዓለ ኮይኑ፡ ጸቕጢታት ይፈጥሩ እዮም ዝተብሃለ ገለ ስጉምቲታት'ውን ተወሲዶም እዮም። ካብ ባሕቲ ጥሪ ሓድሽ ዓመት ኣውሮጳ ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን ብፕረዚደነት ጆ ባይደን ዝተፈረመ፡ ኢትዮጵያ ካብ'ቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ፍርያተን ኣብ ኣመሪካ ብዘይቀረጽ ከእትዋ ዝፈቅድ ስምምዕ ኣጎዋ ክትስረዝ ዝተግብረ ኾይsኑ፡ ካብቶም ጸቕጢታት ሓደ እዩ። እንተኾነ፡ ፌልትማን ክልቲኦም ወገናት ኣብ ክሊ ጠረጴዛ ተቐሚጦም ክዘራረቡ ኣይገበረን ተባሂሉ እዩ ዝንቀፍ። እቲ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝሰፍሐ ኲናት ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብጺሑ እዩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ንጥሜት ተቓልዖምላ ዘለዉ ትግራይ፡ 'ዕላዊ ዘይኮነ ዕጽዋ ብመንግስቲ ተኣዊጁ' ከምዘሎ እዩ ዝኸስስ። መንግስቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ በይናዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ኣዋጅ ምስ ወሰደ፡ ሓይልታት ትግራይ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ብዘይምውሳዶም ስዒቡ ዝመጽአ ጸገም ከምዝኾነ ይገልጽ። ኣመሪካ ሓዊሱ ብዙሓት ሃገራት ምዕራብ እቲ ጎንጺ ጠጠው ክብል፣ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክግታእን ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይ ገደብ ናብ ትግራይ ክበጽሕን ክሓቱ ጸኒሖም እዮም። ኢትዮጵያ ኣብ 2021 ናብ ከምዚ ዓይነት ጎንጺ ክትኣቱ እያ ዝብል ግምት ከመዘይነበሮ ዝዛረብ ፌልትማን፡ ኣመሪካ ኾነ ንሱ ንህወሓት ተዳልዉ ኢኩም ብዝብል ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐርበሉ ወቐሳ ኣይቕበሎን። \"ንዝኮነ ጉጅለ ኣይንድግፍን፤ ንሓደ ወገን ዘዳልዉ እዮም ዝብል በለካ ለኸዐካን ውጹእ ሕሶትን እዩ\" ክብል ጽሒፉ ነሩይ። ኣብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብላዕለዋይ ሓላፍነት ዝሰርሐ፡ ጄፍሪ ፌልትማን፡ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ናይ ነዊሕ እዋን ልምዲ ዘለዎ ምኩር ዲፕሎማት ምዃኑ ይዝረብ። ከምኡ’ውን ፌልትማን፡ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘካተተ ዲፕሎማሲ ኣብ ምእላይን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝተኻየዱ ልዝባት ዕርቅን ስትራተጂ ኣመሪካ ኣብ ምፍጻምን ዓብዪ ተሞክሮ ከምዘለዎ ይግለጽ። ወዲ 62 ዓመት ፌልትማን፡ ኣብ መጽናዕቲታት ትካላት ዓለምለኸ ፖለቲካ ርኡይ ግደ ዝነበሮ ምዃኑ’ውን ይዝረብ። ኣብ ጉዳያት ፖለቲካን ፖሊሲ ወጻእን ንዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ባንኪ ሙንን፡ ሕዚ ዘሎ ኣንቶንዮ ጉቱሬዝን ዘማኸረ ኾይኑ፡ ንቤት ምኽሪ ጸጥታ፡ ኣብ ጉዳያት ሰላምን ደሕንነትን ብተደጋጋሚ መብርሂ ብምሃብ ውን ይፍለጥ ሮይተርስ ኣምባሳደር ፌልትማን ኣብ ዝቅጽሉ ሰለስተ ሰሙናት ካብ ቦትኡ ከምዝእለን ብካልእ ሓላፊ ከምዝትካእን ምንጭታት ጠቒሱ ኣቃሊሑ ኣሎ። ከም ጸብጻብ ሮይተርስ እንተኾይኑ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኾይኑ ዘገልገለ ጄፍሪ ፌልትማን፤ ኣብ ቱርኪ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኮይኑ ይሰርሕ ብዘሎ ዴቪድ ሳተርፊልድ ክትካእ እዩ። ኣምባሳደር ሳተርፊልድ ኣብ ቱርኪ፣ ሶሪያ፣ ቱኒዚያ፣ ስዑዲ ዓረብን ሊባኖስን ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታት ዘገልገለ እዩ። ኣምባሳደርስ ዴቪድ ሳተርፊልድ ኣብ ቱርኪ ኣምባሳደር አሜሪካ ኮይኑ ቅድሚ ምሻሙ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ንዝንበረ ማይክ ፖምፔዮ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኮይኑ ሰሪሑ እዩ። ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ናብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ ድብዳበ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ካብ ኩሉ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝሰሓቡን እቲ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንክረክብ ዝዓለመ ምዃኑን ይገልጽ። መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ሒዝዎም ዘሎ ከባቢታት ሒዙ ከምዝጸንሕን ናብ ትግራይ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከምዘየካይድን ኣፍሊጡ ነይሩ። ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት አንቶኒዮ ጉቴሬዝን ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስን፡ እዚ ምዕባለታት ንሰላም በሪ ዝኸፍት ምኳኑ ገሊጾም ነይሮም። እንተኾነ፡ ኣብዚ እዋን እቲ ኲናት ዝርከበሉ ኩነታት ዘመልክት ጭቡጥ ሓበሬታ'ኳ እንተዘይተረኽበ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ውግእ ከምዘሎ እዩ ዝዝረብ። ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ገለ ከባብታት ትግራይ ደብዳባት ነፈርቲ ከካይድ ምጽንሑ ጸብጻባት ይሕብሩ። ብሰንኪ'ቲ ብ3 ሕዳር 2020 ዝተወልዐን ዓመት ዝሓለፎን ኲናት ትግራይ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ክቕተሉ እንከለዉ፡ ሚልዮናት ተፈናቐሊሎም፡ ኣስታት 10 ሚልዮን ህዝቢ ድማ ተጸባዪ ረዲኤት ኮይኑ ኣሎ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59864763"} {"headline":"ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ኣመሪካን ኲናት ሓድሕድ ንከብቅዕ ቀጻሊ ጻዕሪ ከምዝገብራ ገሊጸን","content":"ርግዓት ኢትዮጵያ ንሰላም እቲ ዞባ ወሳኒ ብምዃኑ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብቕልጡፍ መፍትሒ ክረክብ ኬንያን ኣመሪካን ዝገብረኦ ጻዕሪ ክቕጽላ ከም ዝተሰማምዓ ተገሊጹ፡፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ዴቬድ ሳተርፊልድ ምስ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝተዛተይሉ እዋን ነቲ ቅዋም ከም ዝወሰዱ ቤት ጽሕፈት እቲ ፕረዚደንት ኣፍሊጡ፡፡ ፕረዚደንት ኬንያ እቲ ኲናት ደው ንክብል ይገብሮ ንዘሎ ጻዕሪ ዝነኣደ ኣምባሳደር ሳተርፊልድ፡ ኣበርክቶ እቲ መራሒ ወሳኒ ምዃኑ ብምግላጽ ጻዕሩ ክሰምር ሓገዝ ኣመሪካ ከምዘይፍለዮ ገሊጹ፡፡ ኡሁሩ ኬንያታ፡ ኢትዮጵያን ኬንያን ብፍላይ ኣብ ህንጸት ቴሌኮምዩኒኬሽን ብሓባር ይሰርሓ ከም ዘለዋ ብምጥቃስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ነቲ ዝተረኸበ ውጽኢት ከይጎድኦ ደው ክብል ከም ዘለዎ ተዛሪቡ፡፡ \"ጥንካረ ኢትዮጵያ ንዓና ጠቓሚ እዩ፡፡ ዝተረጋገአት ኢትዮጵያ ተርብሓና እያ፡፡ ነዚ እዩ እቲ ጎንጺ መፍትሒ ክረክብ ዝኽኣልናዮ ኩሉ ንገብር ዘለና\" ኢሉ፡፡ ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝመጽአ ኮይኑ፡ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብምብጻሕ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን እተን ሃገራት ከም ዝተዘራረበ ተገሊጹ እዩ፡፡ ንጄፍሪ ፌልትማን ተኪኡ ዝመጽአ ኣምባሳደር ሳተርፊልድ፡ ኣብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሓላፊት ጉዳያት ኣፍሪቃ ምስ ዝኾነት ኣምባሳደር ሞሊ ፊ እዩ ነቲ ምብጻሕ ጀሚሩ፡፡ ፈለማ ናብ ስዑድ ዓረብ ብምኻድ፡ ብዛዕባ እታ ኣብ ከቢድ ፖለቲካዊ ጸገም እትርከብ ሱዳን ኣመልኪቱ ኣብ ዝተዳለወ ኣኼባ ተሳቲፉ፡፡ ቀጺሉ ድማ ናብ ካርቱም ኣምሪሑ ምስ ወታሃደራዊ መራሕትን ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ድሕሪ ምዝርራቡ ናብ ኢትዮጵያ ብምብጻሕ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን ከም ዝተዛተየ ተገሊጹ፡፡ እቶም ላዕለዎት ዲፕሎማሰኛታት ካብ ዋሽንግተን ቅድሚ ምብጋሶም ናብ ሃገራት ስዑድ ዓረብ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ከም ዝበጽሑ ተገሊጹ ነይሩ። ብሰንኪ እቲ ካብ ዝጅመር 15 ኣዋርሕ ዘቑጸረ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ርክብ ዝላሕለሐ ኣመሪካ፡ ርክባ ምስ ኬንያ ክጠናኸር ገይራ'ያ። ኬንያ እውን እቲ ኲናት መፍትሒ ክረክብ ጻዕሪ ክትገብር ጸኒሓ'ያ። ፕረዚደንት ኡህሩ ኬንያታ'ውን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ብተደጋጋሚ ከም ዝተዘራረበ ይዝከር።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60129037"} {"headline":"ኣብ ኣስመራ ምብጻሕ ዘካየደ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝግበር እገዳ ከምዘይትድግፍ ገሊጹ","content":"ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምርኻብ ተዘራሪቡ። \"ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልተኣዊ፡ ዞባዊን ዓለምለኻውን ናይ ሓባር ረብሓታት ዝምልከቱ ጉዳያት ብፍሕሽውን ግሉጽን ኣገባብ ዓᎁቕ ምልውዋጥ ሓሳባት\" ከምዘካየዱ ብመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም። ዋንግ ዪ ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምክያድ ትማሊ ምሸት'ዩ ናብ ኣስመራ ኣቲዩ። እቲ ላዕለዋይ ቻይናዊ ብዓል ስልጣን ምስ ኤርትራዊ መዘናኡ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ ሃገሩ \"ንዝኾነ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝግበር በይናዊ እገዳ ከምዘይትድግፎ\" ኣፍሊጡ። ኤርትራ ብወገና ንመትከላት \"ሓንቲ-ቻይና\"- ነታ ናይ ባዕላ መንግስትን ምምሕዳርን ዘለዋ ታይዋን ዘጠቓለለት- ከም እተኽብር ደጊማ ኣረጋጊጻ'ላ። ብመንገዲ'ቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሐ 'ስትራተጂካዊ ሽርክነት'ን ኣብ መንጎ ኣፍሪቃን ቻይናን ዘሎ ናይ ምትሕብባር ውዕላትን ግብራዊ ምትሕግጋዝ ከካይዳ ምስምምዖም'ውን እቲ ብረቡዕ 5 ጥሪ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ ጠቒሱ። ክልቲአን ሃገራት ኣብ ህንጻ፡ ዕደና፡ ጥዕናን ትምህርትን ዝበሉ መዳያት ክተሓጋገዛ ከምዝጸንሓ ይግለጽ። ኩባንያታት ህንጻ ቻይና ካብ ፈለማ ናጽነት ጀሚረን ኣብ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ኤርትራ ይሳተፋ ነይረን'የን። ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ድማ፡ ሓያሎ ኩባንያት ዕደና ቻይና ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ዕደና ዳህሳሳት ይኹን ምውጻእ ማዕድናት ኢድ ከምዘለወን ይንገር። ላዕለዋይ ኣማኻሪ መንግስትን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ቻይና ዝኾነ ዋንግ ዩ ናብ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብርኣብን ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህዝባዊ ግንባር ዲሞክራስን ፍትሕን ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወት ዝርከብዎም ላዕለዎት ላዕለዎት ሰበስልጣን ተቐቢሎሞ። ብኣመሪካ እገዳ ተነቢሩሉ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር 2021 ነቲ ብ'በልት & ሮድ' (Belt and Road) ዝፍለጥ ናይ ቻይና ዓለምለኻዊ ተበግሶ ምህናጽ ትሕተ-ቅርጺ ዝምልከት ሰነድ ምርድዳእ ፈሪሙ። እቲ ንዓለም ብመሬትን ባሕርን ከራኽብ ትጽቢት ዝግበረሉ ተበግሶ፡ \"ንክልቲአን ሃገራትን ህዝብታትን፡ ከምኡ'ውን ንማሕበረሰብ ቻይና-ኣፍሪቃ ዘርብሕ'ዩ\" ክብል ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኤርትራ ብትዊተር ገሊጹ። ኣመሪካ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተወለዐ ኲናት ሓድሕድ ድሕሪ ምስታፎም፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራን ገዛኢ ውድብ ህግደፍን ትካላቱን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ፡ ሓላፊ ትካል ሃገራዊ ድሕነት ብ\/ጀነራል ኣብርሃ ካሳን ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ሓጎስ ገብረሂወት እገዳ ኣምቢራ ትርከብ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሓላፊ ቊጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወትን ኣብ ከተማ ዳካር - ሴነጋል ኣብ ዝተኻየደ 8ይ ዋዕላ ሚኒስተራት ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ሚስተር ዋንግ ዪ ተራኺቡ፡ ''ኣብ ምድንፋዕ ኩሉመዳያዊ ክልተኣዊ ዝምድናን ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ክግበር ዝከኣል ምውህሃድን'' ተዘራሪቦም ምንባሮም ይፍለጥ። ቻይና ምስ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ርክባታ ንምድልዳል ኣበርቲዓ ትሰርሕ ምህላዋ'ዩ ዝግለጽ። ሚኒስተር ዋንግ ዪ ኣብ ወሽጢ ሓደ ወርሒ ንኻልኣይ ግዜኡ እዩ ናብ ኣፍሪቃ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ። ሚኒስተር ዋንግ ዪ ነቲ ናብ ሃገራት ኤርትራ፡ ኬንያን ኮሞሮስን ዝገብሮ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ትማሊ ሰሉስ ብኤርትራ ጀሚርዎ ኣሎ። እቲ ሚኒስተር ኣብ መቀዳእታ ወርሒ ሕዳር ኣብቲ ኣብ ሰኔጋል ዝተኻየድ ፎረም ምትሕብባር ኣፍሪቃን ቻይናን (FOCAC) ተሳቲፉ ምንባሩ ይዝከር ኮይኑ ኣብ 1 ታሕሳስ'ውን ናብ ኢትዮጵያ ብምልጋስ ምስ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያትን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን ተራኺቡ ነይሩ።","category":"ኬንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59877126"} {"headline":"ሶማልያ ኣብ ድርኩኺት ጥምየት ከምዘላ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ","content":"ኣብ ሶማልያ ብሰንኪ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ወቕትታት ዘጋጠመ ድርቂ፡ ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልይዎ ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cl7d1pydk9vo"} {"headline":"ሶማልያ፡ ቁጽሪ ግዳያት መጥቃዕቲ ቦምባ 120 በጺሑ","content":"ቁጽሪ ግዳያት ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባ ብውሕዱ 120 ከምዝበጽሐ ጸብጻባት ሓቢሮም። ኣብቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማልያ ሞቓዲሾ ኣብ ጥቓ ጽዑቕ ናይ መኻይን መተሓላለፊ (‘ጃንክሽን’) ዘጋጠመ ማንታ ምፍንጃር ቦምባታት ልዕሊ 100 ሰባት ከምዝሞቱ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ኣፍሊጡ ነይሩ። ካብ ሞንጎ ‘ቶም ግዳያት \"ደቀን ኣብ ሕቑፈን ዝሓዛ ኣዴታት\" ከምዝነበራ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ነቲ ፕረዚደንት ብምጥቃስ ሓቢሩ። ነቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝቖሰሉ 300 ሰባት ዓለምለኻዊ ሕክምናዊ ሓገዝ ክግበረሎም ፃውዒት ኣቕሪቡ’ሎ። ​​እቲ ፕረዚደንት፡ በቲ ብቐዳም ንሚኒስትሪ ትምህርቲ ዒላማ ብምግባር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ  ከሲሱ። መንግስቲ ሶማልያ ንቤተሰብ ናይቶም ዝተቐትሉ ግዳያት ዝውዕል ናይ ሓደ ሚልዮን ዶላር ማዕከን ከፊቱ። ክልተ ናይ ብሕቲ ትካላት’ውን፡ ነቲ ማዕከን ከበርክቱ ምዃኖም ሓቢሮም ኣለዉ። ንጅሃዳውያን ዝድግፍ መርበብ ሓበሬታ ሶማሊ ሜሞ፡ እቲ ጉጅለ ብድሕሪ’ቲ ፍንጀራታት ከምዘሎ ገሊጹ። ምስ ኣልቃዒዳ ርክብ ዘለዎ ጉጅለ ሽበራ ኣልሸባብ ምስ ፌደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ነዊሕ እዋን ኣብ ዝጸንሐ ግጭት ተጸሚዱ ይርከብ። ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅእ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዘቑፀረ ፕረዚደንት መሓመድ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ሞቓዲሾ ዝርከብ ህቡብ ሆቴል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም፡ ኣንጻር እቶም እስላማውያን ዕጡቓት ናብ \"ፍጹም ኲናት\" ከምዝኸፍት ቃል ኣትዩ ነይሩ። እቲ ናይ ቀዳም ፍንጀራታት ኣብ ውሽጢ ናይ ሒደት ደቓይቕ ኣፈላላይ ዝተፈጸመ ኮይኑ ኣብቲ ከባቢ ንዝነበሩ ህንጻታትን ተሽከርከርትን ከምዘዕነወ ይግለፅ። እቲ ቀዳማይ፡ ንሚኒስትሪ ትምህርቲ ከወቅዕ ከሎ፡ ደድሕሪኡ ዝሰዓበ ካልኣይ ድማ ጉጅለታት ሕክምና ንግዳያት ክረድኡ ኣብ ዝመጹሉ እዋን ከምዝተፈንጀረ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ልክዕ ኣብታ ቦታ ኣብ ሓንቲ ናይ ጽዕነት መኪና ዝተፃወደ ነታጒ ተፈንጂሩ ልዕሊ 500 ከምዝሞቱ ይዝከር። ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ድማ እቲ ዝኸፍአ መጥቃዕቲ ንሱ ነይሩ። ነቲ ብቀዳም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ​​ብኣማኢት ዝግመቱ ሰባት ኣብ ጥቓ’ቲ መጥቃዕቲ ሽበራ ዝተፈጸመሉ ቦታ ተኣኪቦም ዝጠፍኡ ኣባላት ስድራቤት ክደልዩ ተራእዮም። ካብቶም ዝተቐትሉ ሰባት ሓደ ፍሉጥ ጋዜጠኛን ላዕለዋይ ኣባል ፖሊስን ይርከብዎም። ፕረዚደንት መሓመድ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ቦታ ድሕሪ ምብጽሑ፡ \"ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ዳግማይ ከምዘይፍጸም ንህዝቢ ሶማልያ ንምሕባር እየ ኣብዚ ተረኺበ ዘለኹ\" ኢሉ። \"እቲ ምፍንጃር ቦምባ፡ እቶም ዕጡቓት ብሓይልታት መንግስቲ ኣብ ዓውደ ውግእ ተሳዒሮም እናሃለዉ፡ ገና ብህይወት ከምዘለዉ ንምሕባር ዝተላእከ መልእኽቲ እዩ ነይሩ\" ክብል ወሲኹ ገሊጹ። ኣብ ሶማልያ ዝርከብ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ \"እቲ መጥቃዕትታት እቲ ንኣልሸባብ ዝያዳ ንምድኻም ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ወፍሪታት ህጹጽን ኣገዳስን ምⷓኑ ዘጉልሕ እዩ\" ኢሉ። ኣሜሪካ፣ ቱርኪ፣ ቀጠርን ጀርመንን ነቲ መጥቃዕቲ ኮኒነንኦ ኣለዋ። ኣልሸባብ ንኣስታት 15 ዓመታት ንሶማልያ ንምቁጽጻር ኣንፃር’ቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝድገፍ ፌደራላዊ መንግስቲ ክቃለስ ጸኒሑ'ሎ። እቲ ጉጅለ ንመብዛሕትኡ ክፋል ደቡባውን ማእኸላይን ሶማልያ ዝቆፃፀር ኮይኑ፣ ናብቲ ኣብ ሞቓድሾ ዝመደበሩ መንግስቲ ዝቆፃፀሮ ከባቢታት እውን ፅልውኡ ከስፍሕ ክኢሉ እዩ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1jlqe16lvo"} {"headline":"ልዕሊ 20 ሚልዮን ህጻናት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ድርቂ ንሕሰም ተቓሊዖም - ዩኒሴፍ","content":"ብሰንኪ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ሶማልያን ዘጋጠመ ድርቂ፡ ቁጽሪ ንከቢድ ጸገም ዝተቓልዑ ህጻናት ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ብዕጽፊ ከምዝወሰኸ ትካል መድሕን ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ዩኒሴፍ ኣፍሊጡ። ዩኒሴፍ ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ብምኽንያት ለውጢ ክሊማ፣ ብደረጃ ዓለም ዝተርኣየ ወሰኽ ዋጋ ሸቐጣት፣ ጎንጽን ሕጽረት ፍርያትን ንዝኸፈአ ጥምየት፣ ጻምእን ሕማማትን ናይ ምቅላዕ ስግኣት ዘለዎም ህጻናት፡ ቁፅሮም ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ካብ ዝነበሮ 10 ሚልዮን ናብ 20.2 ሚልዮን ከምዝደየበ ሓቢሩ። ኣብ ዩኒሴፍ ምክትል ሓላፊት ምብራቓውን ደቡባውን ኣፍሪቃ ሊኬ ቫን ደዋሊ፡ ኣብዚ ዛዕባ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ ነቲ ድርቂ ዘስዓቦ ጸገም ንምፍታሕ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ትሑት ብምዃኑ፡ ድርቂ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንኽልተ ወለዶታት ቀጺሉ ኣሎ ኢላ። “ህይወት ናይቶም ቁጽሮም እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ብጥምየትን ሕማምን ዝሞቱ ከምኡ እውን ንከብቶም ዝኸውን ማይን ምግብን ንምድላይ ዝፈናቐሉ ዘለዉ ህጻናትን መራሕቲ ስድራን ንምድሓንን ተጻዋርነቶም ንምዕባይን ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክቕጽል ኣለዎ\" ክትብል ሓቢራ። ኣብ ሰለስቲአን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣስታት 2 ሚልዮን ህጻናት ዝኸፈአ ሕጽረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ስለዘጋጠሞም ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮም ይእመን እውን ኢሉ ዩኒሴፍ። ብተወሳኺ ስድራቤታት እቲ ድርቂ ብዝፈጠረሎም ጸቕጢ፡ ንደቆም ዝገብርዎ ሓለዋ ኣብ ሓደጋ ከምዝደቐ ገሊጹ። ብሰንኪ እዚ ድማ ምዝመዛ ጉልበት ህጻናት፣ ትሕቲ ዕድመ መርዓን ግርዛት ደቂ ኣንስትዮን ክውስኽ ክኢሉ። ሕጽረት ውሕስና ምግብን ምፍንቓልን፡ ጾታዊ መጥቃዕትን ምዝመዛን ክውስኽ ከምዝገበሩ ዩኒሴፍ ሓቢሩ። ብካልእ ወገን እቲ ትካል፡ ሓገዝቱን ለገስትን ብዝገብሩሉ ደገፍ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ህይወት ናይ ምድሓን ኣገልግሎት የቕርብ ከምዘሎ ጠቒሱ። ኣብ ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ሶማልያን ንተኸታታሊ ሓሙሽተ ዓመታት ብዘጋጠመ ሕጽረት ዝናብ ዝተፈጠረ ከቢድ ደርቂ ንምፍታሕ ዝተውሃበ ትኹረት ውሑድ ብምዃኑ፡ ሕጽረት ገንዘብ ከጋጥም ከምዝኽእል ዩኒሴፍ ኣተሓሳሲቡ'ሎ። ኣብዚ ዝዛዘም ዘሎ ዓመት ፈረንጂ፡ ንኣስታት 2 ሚልዮን ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ናይ ህይወት ምድሓን ሕክምና ከምዝሃበ ዝገለጸ ዩኒሴፍ ካብ 6 ወርሒ ክሳብ 15 ዓመት ንዝርከቡ ህጻናት ክታበት ሕማም ንፍዮ ምሃቡ ኣፍሊጡ። ኣብ ዝቕጽል ዓመት ንስራሕቲ ህይወት ምድሓንን ካልእን 759 ሚልዮን ዶላር ከምኡ ድማ ምስ ክሊማዊ ለውጢ ዝተኣሰሰሩ ስራሕቲ ንምስላጥ 690 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልዮ ሓቢሩ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cy7xejde3x8o"} {"headline":"ፕረዚደንት ሶማልያ ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ኣብ ኤርትራ ካልኣይ ወግዓዊ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ","content":"ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ንካልኣይ ግዜ ወግዓዊ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ። እቲ ሎሚ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣስመራ ዝኣተወ ሓድሽ መራሒ ሶማልያ፡ ንኣርባዕተ መዓልታት ኣብታ ሃገር ክጸንሕ ምዃኑ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣርባዕተ መዓልታት ዝወሰደ ተመሳሳሊ ውግዓዊ ምብጻሕ ኣብ ዝገበረሉ፡ ኣብ መመረቕታ ናይቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠኑ ወተሃደራት ሶማልያ ተሳቲፉ ነይሩ። ኣብቲ ፈላሚ ናብታ ሃገር ዝገበሮ መገሻ፡ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምርኻብ፡ ጸጥታውን ወተሃደራውን ምትሕብባር ክገብሩ ምርድዳእ ፈሪሞም ነይሮም። እንተኾነ ግን፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመ ስምምዕ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃቡን። ኣብ ወርሒ ግንቦት ስልጣን ዝተረከበ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ 5,000 ወተሃደራት ሶማልያ ብቕልጡፍ ናብ ሃገሮም ከምዝምለሱ ክገብር ምዃኑ ቃል ኣትዩ ነይሩ። ቅድሚ ናብ ስልጣን ምምጽኡ፡ ሃለዋት ናይቶም ወተሃደራት ኣብታ ሃገር ኣዘራራቢ ኮይኑ ምንባሩ ይግለጽ። ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ዘካየዶ ምብጻሕ ናብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ብምኻድ ምስቶም ዝስልጥኑ ዝነበሩ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ሃገሩ ተራኺቡ ነይሩ። እዚ ናይ ሕጂ ምብጻሕ እንታይ ዝዓለመ ምዃኑ ግን፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ዝሃቦ ዝርዝር ሓበሬታ የለን። ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ኤርትራ ስልጠና ዝወሰዱ ወተሃደራት ሶማልያ ኣብ ኲናት ትግራይ ከምዝተሳተፉ ዝገልጽ ሓበሬታ ከምዝረኸበ ይጠቅስ። ምኽትል ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ሶማልያ ዝነበረ ዓብዱሰላም ጉለድ ብወገኑ፡ ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ስልጠና ዝወሰዱ ስልጠናኦም ዝወድኡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሶማላውያን ወተሃደራት ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኲናት ከም ዝተሳተፉን ብዙሓት ከም ዝሞቱን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ ገሊጹ ነይሩ። ይዅን’ምበር፡ ኣብቲ እዋን ሚኒስተር ሓበሬታ ሶማልያ ዝነበረ ዑስማን ኣቡከር ዱቤ ነቲ ጸብጻባት ብምንጻግ፡ ወተሃደራት ሃገሩ ኣብቲ ኲናት ኣይተሳተፉን ምባሉ ይዝከር። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ’ውን፡ ነቲ ሓበሬታ ነጺግዎ ነይሩ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ckr1r087kmyo"} {"headline":"ሶማልያ፡ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 14 ሰባት ተቐቲሎም","content":"ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቓድሾ ኣብ ዝርከብ ሰብመዚ መንግስቲ ዘዕርፉሉ ኣገዳሲ ሆቴል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብወሕዱ 14 ክቐተሉ እንከለዉ፡ ሓያለ ካልኦት ቆሲሎም። ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ምስቶም ኣብቲ ሆቴል ዓሪዶም ዝነበሩ ዕጡቓት ድሕሪ ዘካየድዎ ልዕሊ 20 ሰዓታት ዝወሰደ ረጽሚ ነቲ ሆቴል ክቆጻጸርዎ ኪኢሎም ኣለዉ። ምስ ጂሃዳዊ ጉጅለ ኣል-ቃዒዳ ርክብ ዘለዎም ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ነቲ መጥቃዕቲ ባዕሎም ከምዝፈጸምዎ ገሊጾም ኣለዉ። እቶም ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ፡ ሸሞንተ ሲቪላውያን ሓደ ወተሃደርን፡ ከምኡ'ውን ሓሙሽተ ዕጡቓት ኣልሸባብን ምዃኖም ኣፈኛ ፖሊስ ሳዲክ ዶዲሸ ኣረጋጊጹ። ሓይልታት ጸጥታ 60 ሰባት ቅድሚ'ቲ ፍጥጥ ምውድኡ ካብቲ ሆቴል ከውጽኡ ከምዝኸኣሉ ሓቢሮም። ኣብዚ ቀረባ እዋናት ብሰራዊት ኣመሪካ ዝድገፉ ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ'ቶም ዕጡቓት ተኸታታሊ ስርሒታት ብምክያድ ሰፊሕ ቦታታት ከምዝተቖጻጸሩ ይፍለጥ። እንተኾነ ግን፡ ኣል-ሸባብ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕትታት ብምውሳድ'ዩ ግብረመልሲ ክህብ ጸኒሑ። ኣብ ሆቴል ቪላ ሮዝ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ሚኒስተር ሓለዋ ከባቢ እታ ሃገር ኣደም ኣው ሃርሲ ካብቲ መጥቃዕቲ ብሂወት ከም ዝተረፈ ተዛሪቡ። ሚኒስተር ውሽጣዊ ፀጥታ ሶማልያ መሓመድ ኣሕመድ’ውን በቲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ከም ዝቘሰለ ዝገልፁ ዘይተረጋገፁ ጸብጻባት ኣለዉ። ሚሊሻታት እቲ ንልዕሊ 15 ዓመታት ኣብ ሶማልያ ክንቀሳቐስ ዝፀንሐ እስላማዊ ጕጅለ ኣልሸባብ፡ ንሆቴል ቪላ ሮዝ ከም ዝተቘጻጸርዎ ኣፍሊጦም ኣለዉ። እዚ መጥቃዕቲ ተፈጺምዎ ዘሎ ሆቴል ቪላ ሮዝ፡ ካብ ፕረዝደንታዊ ቤተ-መንግስቲ ኣብ ቀረባ ርሕቐት ዝርከብ እዩ። ሰብመዚ ፖሊስ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ቍጽሮም ብንፁር ዘይፍለጥ ተፈንጃርን ብረትን ዝተዓጠቝ ኣጥቃዕቲ ከም ዝተሳተፉ ሓቢሮም። ሓደ ምስክር ዓይኒ ድማ፡ “ከቢድ ነትጕ፡ ፀኒሑ ድማ ጽዑቕ ልውውጥ ተዅሲ ከም ዝሰምዐ” ገሊፁ። ኣብ ጥቓ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ ከባቢ ዝነብር ኣሕመድ ዓብዱላሂ፡ “ኣብ ውሽጢ ገዛና ኢና ዘለና፡ ተዅሲ ንሰምዕ ኣለና” ኢሉ። ካብ ሰብመዚ ፖሊስ ሶማልያ ዝዀነ መሓመድ ዓብዲ፡ ብመሳዅቲ እቲ ሆቴል ብምህዳም ካብቲ መጥቃዕቲ ከም ዝደሓኑ ንሮይተርስ ገሊፁ። ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ናብ ስልጣን ካብ ዝድይብ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ፡ እዚ እስላማዊ ጕጅለ ኣብ ሞቓድሾ ኣብ ዝርከብ ካልእ ስሙይ ሆቴል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ኣንጻር እቶም እስላማዊ ሚሊሻታት “ምሉእ ኵናት” ከም ዝኸፍት ተሓንዩ ነይሩ። በቲ መጥቃዕቲ 20 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ዝዝከር እዩ። ድሕሪ ክልተ ወርሒ፡ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ዕሙር መገዲ ኣብ ልዕሊ ክልተ መኻይን ብዝተፈፀመ ምፍንጃር ነታጕ፡ ብውሑዱ 100 ሰባት ተቐቲሎም። ኣልሸባብ ድማ ነዚ መጥቃዕቲ’ውን ከም ዝፈፀመ ሓላፍነት ወሲዱ። ነዚ ስዒቡ ፕረዚደንት ማሕሙድ፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣልሸባብ ዝርከቡ ብዙሓት ከባቢታት ሓራ ንምውጻእ፡ ንሰራዊት ሶማልያን ብመንግስቲ ዝድገፉ ሚሊሻታት እንዳታትን ክኸቱ ገይሩ። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣንድሪው ሃርዲንግ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ምስቲ ብኣሜሪካ ዝምወልን ኣንጻር ኣልሸባብ ዝቃለስን “በርቂ” ተባሂሉ ዝፅዋዕ ብርጌድ ጻንሒት ገይሩ ነይሩ። እዚ እስላማዊ ጕጅለ፡ ንመንግስቲ ሶማልያ ብምዕላው፡ ጥቡቕ እስላማዊ ትርጕም መሰረት ዝገበረ መንግስቲ ክተክል እዩ ዝሕልን።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cy70x8z8y01o"} {"headline":"ሶማልያ 'ኣልሸባብ' ዝብል ስም ምጥቃም ኣጊዳ","content":"ሚኒስትሪ ጉዳያት ሃይማኖት ሶማልያ፡ ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቐሱ እስላማውያን ዕጡቓት ‘ኣልሸባብ’ ብዝብል ስም ከይጽውዑ ገደብ ኣንቢሩ። ኣልሸባብ ብቛንቋ ዓረብ “መንእሰይ” ዝብል ትርጕም ዘለዎ ኰይኑ እቲ ጅሃዳዊ ዕጡቕ ከምዝፅውዓሉ ይፍለጥ። ህዝቢ ነቲ ዕጡቕ ጕጅለ ‘ኣልሸባብ’ ኢሉ ከይጽውዕ ዘተሓሳሰበ እቲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ሃይማኖት፡ “ኻዋሪጅ” ኢሉ ክጽውዖ ሓቲቱ’ሎ። “ኻዋሪጅ” ዝብል ቃል ምንእኣስ (ንዕቐት) ዝመልኦ ቃል ኰይኑ፡ ትርጕሙ ድማ ፋሉል ወይ ካብ ንቡር ዝወጸ ዝብል እዩ። እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሃይማኖታዊ መራሕቲ ምስቶም ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ዘለዎም ዕጡቓት ከይራኸቡ ወይ ስምምዕ ከይገብሩ እውን ከልኪሉ። መንግስቲ፡ እቲ ንኣልሸባብ “ኻዋሪጅ” ብዝብል ስም ንምፅዋዕ ዝተዋህበ መምርሒ፡ ኣካል ናይቲ ኣንጻር እቲ ጕጅለ ዝካየድ ኲናት ምዃኑ ይገልጽ። መንግስቲ ሶማልያ ንኣልሸባብ ካልእ ስም ክህብ ከሎ እዚ ንመጀመርታ ግዜ ኣይኮነን። ኣብ 2015 [ኣ. ኣ]፡ ማዕከናት ዜና ነቲ ዕጡቕ ጕጅለ \"ኡጉስ\" ብዝብል ክጽውዓኦ መምርሒ ሂቡ ነይሩ። እዚ ድማ \"ንህዝቢ ሶማልያ ዝጭፍጭፍ ጕጅለ\" ዝብል መልእኽቲ ዘሕልፍ ቃል እዩ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ነቲ ውሳነ ግብረ-መልሲ ዝሃበ ኣልሸባብ፡ ንመምርሒታት መንግስቲ ተኣዛዚ ዝኸውን ወይ ነታ ቃል ዝጥቀሙ ጋዜጠኛታት ይዅን ካልእ ዝዀነ ይዅን ሰብ፡ ክቐጽዕ ምዃኑ ኣጠንቂቝ ነይሩ። ሰበስልጣን ፌደራል፡ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ብዛዕባ ንጥፈታት ኣልሸባብ ጸብጻብ ከየቕርባ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣጊዶም ነይሮም።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3g7ly18wpwo"} {"headline":"ሶማልያ፡ ሓደ ካብ መስረትቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ ተቐቲሉ","content":"ሓደ ካብ መስረትቲ ጂሃዳዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ዝኾነ ዓብዱላሂ ናድር ብቀዳም ኣብ ዞባ ደቡባዊ ማእከል ጁባ ከም ዝተቐትለ መንግስቲ ሶማል ኣፍሊጡ። ናድር፡ ቀንዲ ሓላፊ ክፍሊ ሃይማኖታዊ ጎስጓስ ኣልሸባብ ከም ዝነበረን፡ ብዛዕብኡ ሓበሬታ ንዝሃበ 3 ሚልዮን ዶላር ክወሃቦ ተሰሊዑ ከም ዝነበረን ሚኒስትሪ ዜና ሶማል ሓቢሩ። ናድር ነቲ ነነዊሕ እዋን ብጽኑዕ ከም ዝሓመመ ዝንገረሉ ‘ኣቡ ዑበይዳህ’ ብዝብል ዝፍለጥ መራሒ ኣሕመድ ዑመር ዲሪየ፡ ኪትክእ ብኣል-ሸባብ ትጽቢት ዝግበረሉ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ። ናይ ብሕቲ ማዕከናት ዜና ከምዝጸብጸብኦ፡ ናድር ብመጥቃዕቲ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) እዩ ተቐቲሉ። ሚኒስትሪ ዜና ሶማልያ ግን፡ ሓይልታት ጸጥታ ሶማል ምስ ኣህጉራውያን መሻርኽቲ ብምትሕብባር ንናድር ኣብ ስርሒት ከም ዝተቐትለ ካብ ምሕባር ሓሊፉ፡ ብዛዕባ’ቲ መጥቃዕቲ ድሮን ኣይጠቐሰን። እቲ መብዛሕትኡ ንላዕለዎት መራሕቲ ኣልሸባብ ዒላማ ዝገብር፡ እዚ ኣፍሪቃ ሰራዊት ኣመሪካ (Africa Command) ብዛዕባ’ቲ ዝተባህለ ፍጻመ ዝሃቦ ርእይቶ  የልቦን። እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተፈጸመ ሓድሽ መጥቃዕቲ ቦምባ ብውሕዱ ትሽዓተ ሰባት ተቐቲሎም። ኣብቲ ኣብ ከተማ በለድወይነ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ላዕለዎት ሰበስልጣን ዞባ ከምዝተቐትሉ ፖሊስ ሓቢሩ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ መኪና ብዝተጻወደ ነታጒ'ዩ ተኻይዱ። እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ'ሎ። ዕላማ ናይቲ መጥቃዕቲ ሕነ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ዝተቐትለ ላዕለዋይ መራሒንምፍዳይ ክኸውን ከምዝኽእል ጸብጻባት ይእምቱ። መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ናይ ቱርኪ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮናት) ኣብቲ ኣንጻር ዕጡቓት ኣልሸባብ ዝካየድ ዘሎ ስርሒታት ይሳተፋ ከምዘለዋ ገሊጹ ነይሩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ካብ ሓያለ ከባቢታት ከምዝተደፍአን ብዙሓት ካብ ኣባላቱ ከምዝኸሰረን ይግለጽ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cg31m7v3dlko"} {"headline":"ጓለይ ንምቕባር ጉልበት ስኢነ’ - ብደርቂ ዝተጠቕዐት ሶማልያዊት ኣደ","content":"ወዲ 11 ዓመት ዳሂር፡ ንብዓቱ ኣብቲ ብጥሜት ዝጎድጎደ ምዕጉርቱ እናወረደ \"ካብዚ ክድሕን ጥራይ እየ ዝደሊ\" በለ ብትሑት ድምጺ። \"ንብዓትካ ንሓውኻ ኣይመልሶን'ዩ። ኩሉ ጽቡቕ ክኸውን'ዩ\" ክትብል እታ ድኽምቲ ኣዲኡ ፋጡማ ዑመር ክተጽናንዖ ፈቲና። ፋቱማ፡ ካብ ቡሎ ሲየር ዝተባህለት ቁሸት ምስ ትሽዓተ ደቃ ብእግሪ ብውሑዱ ን15 መዓልታት ተጓዞም ቅድሚ ክልተ ሰሙን እዮም ባይዶዋ በጺሖም። ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ከተማ ባይዶዋ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ሓመድ ዝመልኦ ቆላ ኣብ ዝተሰርሐ ግዝያዊ ዳስ ይነብሩ። ስድራ ፋጡማ ባይዶዋ ምስ በጽሑ ነዊሕ ከይጸንሑ ወዲ 10 ዓመት ወዳ ሳላት ብጥሜት ሞይቱ። ሬስኡ ድማ ካብቲ ግዝያዊ ዳሶም ሒደት ሜትሮታትርሒቑ ኣብ ዝርከብ ኣኻውሕ ዝበዝሖ መሬት ተቐቢሩ። \"ብወደይ ክሓዝን ኣይክእልን እየ። ግዜ የለን። እቶም ካልኦት ብህይወት ንኽጸንሑ ስራሕን መግብን ክረክብ ኣለኒ\" ትብል ፋጡማ ነታ ጓል ትሽዓተ ወርሒ ንእሽቶ ጓላ ቢለ ሓቚፋ ነታ ጓል ሽዱሽተ ዓመት ጓላ ማርያም ክትስዕል ከላ ተጠውያ እናረኣየታ። ኣብቲ ካልእ ሸነኽ ናይቲ ናይ ሓመድ መንገዲ፡ ናብ ገማግም ባሕርን ርእሰ ከተማ ሶማል ሞቓዲሾን ገጽ፡ ካልኦት ተመዛበልቲ ስድራቤታት ብዛዕባ መግቢ ንምድላይ ዝገበርዎ ነዊሕ ጕዕዞታት ዝያዳ ዘሕዝን ዛንታታት የዘንትዉ። ዳርጋ ክልተ ሲሶ ካብቶም ኣብተን መዓስከራት ዝርከቡ ንኣሽቱ ህጻናትን ነፍሰጾራትን ብሕዱር ሕጽረት መግቢ ይሳቐዩ ከምዘለዉ ሓደ ሓድሽ መጽናዕቲ ይገልጽ። እዚ ድማ ምስቲ ልዑል መጠን ሞት፡ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝተዓወጀ ኣዋጅ ጥሜት ድሮ ከምዝደንጎየ ከመልክት ዝኽእል’ዩ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ለውጢ ክሊማ ዘጋደዶ ተኸታታሊ ድርቂ፡እቲ ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዘመናት ዝጸንሐ ጓሳዊ ኣነባብራ ንኸብቅዕ ጠንቂ ከይኸውን የስግእ ኣሎ። ፋጡማ፡ ወዲ 10 ዓመት ወዳ ሳላት ጥራይ ኣይኮነን ብጥሜት ዝሞታ። ብተመሳሳሊ ሰለስተ ዓመት ዝመልኣ ጓላ ፋርሂር እውን ብጥሜት ሞይታታ እያ። \"ጓለይ ኣብ ቅድሚይ ክትመውት ርእየያ፡ ዋላ ሓንቲ ክገብር ኣይከኣልኩን\" ትብል። \"ን10 መዓልታት ሓዚለያ ጸኒሐ። ክንቀብራ ጉልበት ኣይነበረናን። ኣብ ወሰንጽርግያ ገዲፍናያ። እቶም ኣዛብእ ክጽግዑ ንሰምዕ ነይርና።\" \"ዝሓዝክዎ ነገር ኣይነበረን። ኣብ ገዛዝተረፈ ነገር የለን። እተንከብቲ ሞይተን እየን። ግራውቲ ደረቕ'ዩ\" ትብል ጓል 50 ዓመት ሓቢባ መሓመድ። ናብ ቁሸታ ፈጺማ ከምዘይትምለስ ትዛረብ። ሓቢባ ከምቶም ካልኦት ተመዛበልቲ፡ ቁሪ ለይቲ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ጨናፍር፡ በትሪታትን ቁርጽራጽ ካርቶንን ፕላስቲክን ገይራ ሓሙሽተ ቆልዑ ንዘለዎ ቤተሰባ ዳስ ክትተክል ተጸሚዳ ነይራ። ብድሕሪኡ እያ ንገለ ካብቶም ደቃ መግብን ሕክምናዊ ሓገዝን ክትደልይ ዝጀመረት። ኣብቲ መተኣናገዲ እቲ ቀንዲ ሆስፒታል እታ ከተማ፡ ዶክተር ዓብደላሂ ዩሱፍ ካብ ዓራት ናብ ዓራት እናዞረ ዝምርምሮም ደቀቕትን ዝደኸሙን ሕሙማቱ መብዛሕትኦም ካብ ክልተ ወርሒ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት እዮም። ኩሎም ብኸቢድ ሕጽረት መግቢ ዝተጠቕዑ እዮም። ገሊኦም ብነድሪ-ሳምቡእ ብዙሓት ድማ ብሓድሽ ለበዳ ሕማም ዕንፍሩር ይሳቐዩ ነይሮም። ንምብካይ ዝኾን ጉልበት ዝነበሮም ዕሸላት ውሑዳት እዮም። ብሰንኪ እቲ ሓደ ሓደ ግዜ ኣዝዩ ጽንኩር ጥሜት ዘስዕቦ ሕበጥ፡ ሓያሎ ህጻናት ቆርበቶም ኣዝዩ ዝተጎድአ እዩ። ዶክተር ዓብደላሂ፡ \"ኣዝዮም ብዙሓት ህጻናት ቅድሚ ናብ ሆስፒታል ምብጽሖም እዮም ዝሞቱ\" ይብል። ሰበስልጣን ሶማልን ኣህጉራውያን ትካላትን ኣብዚ ደቡባዊ ምዕራብ ዞባ ዝመጽእ ዘሎ ጥሜት ኣመልኪቶም ንኣዋርሕ መጠንቀቕታ ከስምዑ እኳ እንተጸንሑ፡ ዶክተር ዓብደላሂ ግን ድሮ ኣብ ሆስፒታሉ ንህጻናት ዝኸውን መመላእታ መግቢ ሓዊሱ ሕጽረት መሰረታዊ ነገራት ከምዘሎ ይገልጽ። \"ሓደ ሓደ ግዜ ቀረብ ንስእን። ሰባት ይሞቱ ስለዘለዉ ብሓቂ ዘስካሕክሕ'ዩ፡ ሓገዝ ክንህቦም ድማ ኣይከኣልናን። ምምሕዳር ከባቢና ነዚ ጉዳይ ኣጸቢቑ ኣይሕዞን'ዩ። ንቲ ደርቂ ይኹን ንመጓዓዚ ተመዛበልቲ መደብ ከይገበረ እዩ ጸኒሑ\" ይብል ኣብ ገጹ ብስጭት እናተረኣየ። ሓደ ሰበስልጣን ናይቲ ከባቢ ድማ ጌጋ ከምዝተፈጸመ ይኣምን። \"ካብዚ ብዝዛይድ ክንቅልጥፍ ኣለና፡ ልክዕ... ከምኡ'ውን ዝያዳ ቅኑዕን ውጽኢታዊን ክንከውን ይግባእ\" ይብል ሚኒስተር ሰብኣዊ ጉዳያት ግዝኣት ደቡባዊ ምዕራብ ዝኾነ ናሲር ኣሩሽ። ዝያዳ ኣህጉራዊደገፍ ድማ ቁልፊ ምዃኑ ኣጽኒዑ ይገልጽ። \"እቲ ዘድልየና ሓገዝ እንተዘይተረኺብና፡ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ክሞቱ'ዮም። እቶም ሕጂ ንገብሮም ዘለና ነገራት ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ክንገብሮም ይግባእ ነይሩ። ኣብ ክውንነት፡ ደንጕና ኢና። ገለ ነገር [ቀልጢፉ] እንተዘይተፈጺሙ ኣብዚ ከባቢ መቕዘፍቲ ዝወርድ ይመስለኒ።\" ጥሜት ብወግዒ ናይ ምእዋጅ መስርሕ ዝተሓላለኸ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ኣብ ንምግላጽ ዘጸግም መረድኢታትን መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣብ ፖለቲካዊ ረቛሒታት ዝተመርኮሰ ክኸውን ይኽእል። \"ብመሰረቱ፡ ቴክኒካዊ መስርሕ\" ክትብል ዝገለጸቶ ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣብ ሞቓዲሾ ኬት ፎስተር፡ ኣብቲ ኣብ 2011 ዘጋጠመ ድርቂ \"ካብቶም ዝሞቱ 260 ሽሕ ሰባት፡ እቶም ፍርቂ ቅድሚ ጥሜት ምእዋጁ\" ከምዝሞቱ ተመልክት። ሶማልያ ዝያዳ ምወላ ንምርካብ እትገብሮ ዘላ ኣህጉራዊ ጻዕሪ ዝመርሕ ልኡኽ ፕረዚደንት ዓብዲራሕማን ዓብዲሻኩር፡ ብፍላይ ንመንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ቀረባ እዋን ንዝገበሮ ሓድሽ ምወላ ኣመስጊኑ \"ተስፋ ሂቡና\" ኢሉ። ወሲኹ ግን ብዘይ ተወሳኺ ሓገዝ ኣብ ሓደ ክፋል ሶማልያ ከባብያዊ ቅልውላው ብቕልጡፍ ካብ ቁጽጽር ክወጽእ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ። \"ስግኣት ከምዘሎ ክንገልጽ ጸኒሕና ኢና... ምላሽ ማሕበረሰብዓለም ግን እኹል ኣይነበረን\" ይብል። ግምታት እኳ እንተተፈላለየ፡ ብዝሒ ህዝቢ ባይዶዋ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ብግምት ብኣርባዕተ ዕጽፊ ወሲኹ፡ ናብ ኣስታት 800 ሽሕ በጺሑ እዩ። እቲ ዘገርም ድማ ዳርጋ ኩሎምእቶም ተመዛበልቲ ቂ ኣንስትዮ እየን። ቅድሚ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ማእከላይ መንግስቲ ሶማልያ ካብዝፈርስ ኣትሒዙ እታ ሃገር ኣብ ኲናት እያ ዘላ። እቲ ብዝተፈላለየ መልክእ ዘጋጥም ግጭት፡ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ስድራቤቶም ተፈልዮም ንዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ክቃለሱ ዝገብርን ዳርጋ ንነፍሲ ​​ወከፍ ክፋል እታ ሃገር ዝጸሉን እዩ። ሓዲጃ ኣቡካር፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብቲ ብዕጡቕ እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ዝቆጻጸሮ ዝነበረ መሬት ኣምሊጣ እያ ናብ ባይዶዋ ኣትያ። \"ሕጂ'ውን እንተኾነ እቶም ዝተረፉ ስድራይ ይድውሉለይ እዮም። ውግእ ኣሎ - ኣብ መንጎ መንግስትን ኣልሸባብን። ኣዝማደይ ሃዲሞም ኣብ ጫካ ተሓቢኦም ኣለዉ\" ትብል ኣብ ሓደ ንእሽቶ ሆስፒታል ኣብ ጥቃ ዝሓመመ ወዳ ኮፍ ኢላ። ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ድማ፡ ሰብኡትን ዓበይቲ ኣወዳትን ካብቲ እቶም ዕጡቓት ዝቆጻጸርዎ ከባቢታት ከይወጹ ከምዝተዓገቱን፡ እቲጉጅለ ንዓመታት ዘረፋ ከምዝፈጸመን ሓቢረን። ልዕሊ ፍርቂ እቲ ብድርቂ ዝተሃስየ ህዝቢ፡ ኣብቶም ኣል-ሸባብ ዝቆጻጸሮም ከባቢታት ከምዝርከቡ ገለ ጸብጻባት ይሕብሩ። ንዝኾነ ይኹን ግብረሽበራዊ ጉጅለታት ተረባሕቲ ከይኾኑ ሓገዝ ዝዓግት ጽኑዕ ሕግታት መንግስቲ ኣሜሪካ ድማ፡ እቲ ሓገዝ ናብ ብዙሓት ዝተጎድኡ ማሕበረሰባት ንምብጻሕ ዝግበር ጻዕርታት ክተሓላለኽ ገይርዎ ኣሎ። \"ኣብ ከበባ ዝርከቡ ህዝብታት ንርኢ ኣለና። ሓደ ሓደ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ተስፋ ዘቑርጽ እዩ\" ይብል ኣብ ማእከላይን ደቡባውን ሶማልያ  ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ ) ዝመርሕ ቻርለስ ንዙኪ። ምስ ንኣሽቱ ናይ ውሽጢ ሃገር መሻርኽቲ ብምትሕብባር ተበጻሕነት ንምዕባይ ዝሰርሑ ዘለዉ ኣህጉራውያን ትካላትን ሰበስልጣን ሶማልያን፡ ናብቶም ኣብ ከበባ ዝርከቡ ገለ ከባቢታት ብኣየር ሓገዝ ክድርብዩ ይውጥኑ ኣለዉ። እንተኾነ ግን፡ ሓደ ሰራሕተኛ ረድኤት፡ ዝኾነ መግቢ ወይ ገንዘብ ናብ ኣልሸባብ ከምዘይበጽሕ ውሕስነት ምሃብ ዳርጋ ከምዘይከኣል ይኣምን። \"ገርሁ ኣይንኹን፡ [ኣል-ሸባብ] ንኹሉ ግብሪ የኽፍል፡ ዋላ'ውን ካብ ጥረ ገንዘብዝግበር ወፈያ።\" ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ብዓመጽን ምፍርራሕን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብታ ብወግዓዊ ብብልሽውና ዝና ዝረኸበት ሃገር ፍትሒ ብምሃብ ዝና መስሪቱ እዩ። ኣልሸባብ፡ ኣብ ከባቢ ባይዶዋ ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ ቁሸታት ነበርቲ ንንግድን መሬትን ዝምልከት ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ብስሩዕ ዝጥቀሙሉ  መርበብ ቤትፍርዲ ሸሪዓ መስሪቱ እዩ። ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ፡ ኣንጻር ኣልሸባብ ዝተፈጸመ ሃንደበታዊ ናዕቢ፡ ሕጂ ብማእከላይ መንግስቲ ብብዝሒ ዝድገፉ ማሕበረሰባትን ናይ ዓሌታት ዕጡቓትን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ነቲ ጉጅለ ካብ ዓሰርተታት ከተማታትን ዓድታትን ኣባሪሮም እዮም። እቲ ወተሃደራዊ ዓወታት ንዝያዳ ትስፉውነት ደሪኽዎ’ኳ እንተኾነ፡ እዚግን ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ጥሜት ክሕግዝ ድዩ፡ ወይስ ኣቓልቦ መንግስቲ ሶማልያ ዘዘናግዕ ጥራይ ምዃኑ ንጹር ኣይኮነን። \"ክሕግዝ፡ ወይ ድማ ዘይክሕግዝ ይኽእል። ዝያዳ [ሲቪላዊ] ምምዝባል ክፈጥር ይኽእል'ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ። ወይ ድማ መንግስቲ ዝያዳ ከባቢታት ሓራ ከውጽእን ሰባት ዝያዳ ተበጻሕነት ክህልዎም ይኽእል'ዩ። ስለዚ፡ ብኹሉ ኩነታት ኢና ንዕዘቦ ዘለና\" ይብል ሚኒስተር እቲ ከባቢ ናሲር ኣሩሽ። ኣብታ ንዓሰርተታት ዓመታት ብዝቐጸለ ግጭትን ሸለልትነትን በሰላ ዘለዋ ባይዶዋ ባዕላ፡ ዋጋታት መሰረታዊ ኣቑሑት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብዕጽፊ ወሲኹ እዩ። \"ሓርጭ፡ ሽኮር፡ ዘይቲ - ኩሎም ብሓደ ዓይነት መጠን ወሰኾም እዮም። ሓደ ሓደ ግዜ መግቢ ክንዘልል ኣለና። ብዛዕባ ኲናት ሩስያን ዩክሬንን ሰሚዐ እየ። ሰባት ሱር ጠንቂ ናይዞም ጸገማት ንሱ እዩ ይብሉ\" ትብል ጓል 38 ዓመት ሹክሪ ሞኣሊም ዓሊ ናብቲ ደረቕ ዒላኣን መኻን ዝኾነ ናይ ኣሕምልቲ ቦታኣን እናተጓዕዘት። ኣብዚ ዞባ ዝርግሐን ጥሜት ንምክልኻል ዝግበር ቃልሲ ቅልጡፍ ትኹረት ዘድልዮ ክኸውን እንከሎ፡ ሓድሽ መንግስቲ ሶማልያ እውን ብዛዕባ መጻኢ ዝያዳ ህላወኣዊ ሕቶታት ንምምላስ ይጽዕር ኣሎ። \"ነቲ ድርቂ ምላሽ ምሃብ፡ ኣንጻር ኣልሸባብ ምቅላስ፡ ከምኡ'ውን [ኣህጉራዊ] ፋይናንስ ፍትሒ ክሊማ ንምርካብ ጎስጓስ ምግባር በዳሂ ዕማም'ዩ\" ይብል ዓብዲራሕማን ዓብዲሻኩር። \"መንእሰይ ህዝቢ፡ ገዚፍ ዲያስፖራ፡ ንጡፍ ናይ ስራሕ ፈጠራ ክእለትን ኣለና። ስለዚ እዚ ተስፋ ይህበና እዩ። በዳሂ'ዩ፡ ኣማራጺ ግን የብልናን።\"","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/czk17mzy30zo"} {"headline":"መራሕቲ ሶማልያን ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ሶማልያ ዝተነብረ እገዳ ኣጽዋር ክለዓል ሓቲቶም","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሶማልያ ዘንበሮ እገዳ ኣፅዋር ክልዓል ጸዊዑ። ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ድሕሪ ምምራጹ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 18ን 19ን መስከረም 2015 (ግእዝ) ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ዑደት ስዒቡ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘውጽእኦ መግለጺ፡ ምልዓል ናይቲ እገዳ ኣጽዋር፡ ሶማልያ ካብ ስግኣት ኣልሸባብ ንክትላቐቕ ኣድላዪ ከምዝኾነ ሓቢረን። ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓሙድን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድን ኣብ ክልተኣዊ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ፡ ምቅላስ ግብረሽበራን ጥሩፍነትን ከምኡ እውን ኣብ ሓባራውን ዞባውን ጉዳያት ዘትዮም። ኣብ ዓበይቲ ጉዳያት ትኹረት ብምግባር ኣብ ቀዳምነታቶም ብሓባር ክሰርሑ’ውን ተሰማሚዖም ኣለዉ። እቶም መራሕቲ፡ ነቲ ንዘመናት ዝጸንሐ ክልተኣዊ ዝምድና ኣብ ምኽባር ግዝኣታዊ ልኡላውነትን ሓድነትን ክልቲአን ሃገራት ዝተመርኮሰ ክኸውን ከምዝተሰማምዑ'ውን ሓቢሮም። ቅድሚ ምምጻእ ሕብረት እስላማዊ ኣብያተ ፍርዲ ወይ ኣልሸባብ፡ ኣብ ሶማልያ ናይ ጸጥታ ስግኣት ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን ሰራዊታ ትልእኽ ዝነበረት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ኣልሸባብ ቀንዲ መሻርኽቲ ኮይና ከም ዝጸንሐት ዝዝከር’ዩ። ኢትዮጵያ ኣልሸባብ ካብ ሱሩ ንምጥፋእ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኢዳ ብምእታዋ እኳ እንተነቐፈት፡ ክልቲኦም መራሕቲ ግን ንሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ክብሪ ሂቦም። እቶም መራሕቲ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንሰላም፡ ምርግጋእን ህንፀትን ሶማልያ ዝለዓለ መስዋእቲ ከምዝኸፈለ ገሊፆም። ናይ ሓባር ጸላኢ ዝበልዎ ግብረሽበራን ጥሩፍነትን ኣብ ምምካት ብኣድማዒ መንገዲ ንምትሕብባር ዘለዎም ቆራጽነት ድማ ኣረጋጊጾም። እቲ ናይ ምትሕብባር ስትራተጂታቶም ንምሕያል፡ ንናይ ጸጥታ መሓውሮም መምርሒ ምሃብ ሓዊሱ ሓበሬታ ክለዋወጡ ድማ ተሰማሚዖም ኣለዉ። ብተወሳኪ’ውን ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ነቲ ኣብ ሶማልያ ዘሎ ናይ ጸጥታ ስግኣት ብኣድማዒ መንገዲ ንምምካትን፡ እኹል ዕጥቂ ንኽህልዎን፡ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ’ታ ሃገር ዝተነብረ ናይ ኣጽዋር እገዳ ናይ ምልዓል ሕቶ ኣብ ግምት ከእቱ ሓቲቶም። ምስ ኣልቃዒዳ ዝምድና ኣለዎ ዝበሃል እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ ሶማልያን ኣብ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራትን ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ከካይድ ከምዝጸንሐ ዝዝከር እዩ። ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ እቲ ጉጅለ ነቲ ሶማልያ ምስ ኢትዮጵያ እትካፈሎ ነዊሕ ዶብ ሰጊሩ፡ ንመጀመርታ ግዜ ሓያል ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ነይሩ። ነዚ ስዒቡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብዙሓት ኣባላት እቲ ጉጅለን ላዕለዎት ኣመራርሓን ከምዝተቐትሉን ከምዝተማረኹን ኣፍሊጡ ነይሩ። እቲ ሓድሽ ዝተመርጸ ፕረዚደንት ሶማልያ፡ ንኣልሸባብ ምቁጽጻርን ነታ ሃገር ምርግጋእን ቀንዲ ዕማሙ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንሰራዊት ሶማልያ ኣብ ምጥንኻር ይርከብ። ፌደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ን30 ዓመታት ዝጸንሐ እገዳ ኣጽዋር ክለዓል ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሕቶ ኣቕሪቡ’ሎ። እቲ እገዳ ኣጽዋር፡ ብስያድ ባሬ ዝምራሕ ዝነበረ ማእከላይ መንግስቲ ሶማልያ ምፍራሱ ስዒቡ ነቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታትን ኲናት ሕድሕድን ንምርግጋእ ዝተገበረ እዩ። ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ኣብ 1992 (ብኣውሮጳ) ዝተገበረ እገዳ ኣጽዋር፡ ንዘይተወሰነ እዋን ብዘይ ገደብ ግዜ ክጸንሕ ከምዝወሰነ ይዝከር።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3g7xdg6k26o"} {"headline":"ቈልዓ ክልተ ዓመት ብጥምየት ክመውት ምርኣይ","content":"ዓብዲዋሊ ዓብዲ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ሆስፒታል ሶማል ንኽልተ መዓልቲ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ገለ ዓይነት ሕውየት ዘርኢ ዘሎ ይመስል። እቲ ወዲ ክልተ ዓመት ቈልዓ 4.6 ኪሎ ግራም ጥራይ ክብደት’ዩ ዝምዘን -እዚ ኸኣ ካብ ክብደት ሓደ ጥዕናኡ ዝተሓለወ ሓድሽ ውላድ ዕሸል ዘይዛይድ’ዩ። ንሱ ሕጂ ድምጺ ናይ ምውጻእ ዓቕሚ ስለ ዘጥረየ፡ ኣደኡ ሃዋ ኣብ ጐድኑ ኣብ ዓራት ኰፍ ኢላ፡ ንጓል ክልተ ወርሒ ጓላ ጡብ እናጥበወት ናብቲ ግዝያዊ መዓስከሮም ንምምላስ ትትስፎ። \"ዘተባብዕ'ዩ\" ትብል ላዕለወይቲ ነርስን ኣመሓዳሪትን ፋጡማ መሓመድ። ኣብቲ 17 ዓራውቲ ዘለዎ ክፍሊ ሕክምና፡ 17 ብሕጽረት መግብን ካልኦት ሕማማትን ዝተጠቕዑ ዕሸላት ኣለው። ሶማልያ፡ ድሕሪ 40 ዓመታት ዝኸፍአ ደርቂ ኣጋጢምዋ ይርከብ። ጓል 22 ዓመት ሃዋ፡ ንወዳ ብቐረባ እናጠመተት፡ \"ንምገቦ መግቢ የብልናን፤ ጐረባብትና ግን ክሕግዙና ጸኒሖም'ዮም\" ትብል። ኣብ መወዳእታ፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ክረኽቡ ቅድሚ ምምጽኦም፡ እቲ ቈልዓ ረስንን ተምላስን ተወሲኽዎ ንሰሙናት እናደኸመ መጺኡ። እቲ፡ ኣብ ዶብ ሰሜን-ምዕራብ ሶማልያ ኣብ እትርከብ ከተማ ዶሎው ዘሎ ሆስፒታል ንዓመታት ከም ኣብዲዋሊ ዝበሉ ህጻናት ክናቢ ጸኒሑ’ዩ። እዚ ብመንግስቲ ብሪጣንያን ካልኦትን ዝምወል ትካል፡ ኣብ ከተማ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብቶም ዕጡቕ እስላማዊ ጕጅለ ኣልሸባብ ዝተቘጻጸሮም ብዙሓት ዓድታት መሰረታዊ ሕክምናዊ ደገፍ ዝህቡ መርበብ ሰራሕተኛታት ጥዕና ሃኒጹ ኣሎ። ሕጂ ግን፡ ኣብታ ሃገር ሓምሻይ ወቕቲ ዝናብ ስለ ዝፈሸለ፡ ዶሎው ብሓደስቲ ተመዛበልቲ መሊኡ ኣሎ። ከም ስድራ ዓብዲዋሊ ዝበሉ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ከብቶም ዝሞታኦምን ግራቶም ዝደረቘምን ስድራቤታት መግብን ድሕነትን ክረኽቡ ተስፋ ብምግባር፡ ስሩዕ ኣብ ዘይኰኑ መዕቈቢ ቦታታት ተኣኪቦም ኣለው። “ብዛዕባ ህይወት ዓሰርታት ኣሽሓት ኢና ንዛረብ ዘለና፤ ሰባት ይሞቱ ኣለው። ንዕኦም ንምሕጋዝ’ውን እኹል ቀረባት የብልናን” ክብል ሰራሕተኛ ኖርወጃዊ ካውንስል ስደተኛታት ዓብዱልቓድር መሓመድ ተዛሪቡ። ኣብቲ ሆስፒታል፡ ኣስታት 100 ደቂ ኣንስትዮ ብሕጽረት መግቢ ንዝተጠቕዑ ዕሸላት እናጠበዋ፡ ክብደቶም ክምዘኑን ክግምገሙን ይጽበያ ነበራ። \"ብሓቂ ሕማቕ ክኸውን’ዩ። ነገራት ክጋደዱ’ዮም ዝብል ትጽቢት’ዩ ዘለና፤ ኣብ ቀረባ እዋን ዓጸቦ ክእወጅ ንጽበ ኣለና\" ትብል ንሓደ ኣየርላንዳዊ ትካል ግብረ ሰናይ ትሮኬር ወኪላ ንመደብ ኣመጋግባ ናይቲ ሆስፒታል እተካይድ ፓሜላ ዋሶንጋ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ኣብ ሶማል 6.7 ሚልዮን ሰባት ሓገዝ መግቢ ከምዘድልዮም የጠንቅቕ ኣሎ። እዚ ክኣ ኣስታት 40% ካብ ህዝቢ እታ ሃገር’ዩ። ኣብ ሓደ ለይቲ ኵነታት ዓብዲዋሊ ሃደሽደሽ ኢሉ። ንጽባሒቱ ንግሆ ሰዓት 9፡00፡ ሙቐቱ ሰብነቱ ጐዲሉ፣ ክልተ ሶማላውያን ሓካይም ድማ ብቕልጡፍ ብፎይል ብዝተሰርሐ መሞቒ ኰቦርታ ጠቕሊሎምዎ። ክልተ ዓራታት ርሒቓ ዘላ ሓንቲ ጓል 18 ወርሒ ዕሸል’ውን ተመሳሳሊ፡ ህጹጽ ሕክምና ትረክብ ነይራ። \"ብሓቂ ስክፍታ ኣሎና። እዞም ህጻናት ሙቐቶም ክቈጻጸርዎ ኣይክኣሉን። ነዚ ድማ፡ ኣብዞም ማእከላት መዝሓሊ ሙቐት ፈጺምና ኣይንጥቀምን። እቲ ህጻን እንተሞይቍ፡ ናይ ምድሓን ዕድሉ ዝለዓለ'ዩ\" ትብል ነርስ ፋጥማ መሓመድ። እቲ ንዕኡ ዝከታተሎ ዘሎ ዶክተር፡ ነቲ ዝማሰነ ቅልጽም ዓብዲዋሊ ሒዙ ሙቐት ሰብነቱ ይዕቅን። ኣብዚ እዋን እዚ ወዲ 28 ዓመት ኣቦ እዚ ህጻን፡ ናብቲ ሆስፒታል መጺኡ። በቲ ኵነታት ሰንቢዱ ክኣ ኣብ ዙርያ እቲ  ዓራት ካብን ናብን ይንቀሳቐስ ነበረ። ቅድሚ እዚ ሓድሽ ድርቂ፡ እታ ስድራቤት ምሉእ ብምሉእ ጽቡቕ ህይወት ነይርዋ። እቶም ሰብ ሓዳር፡ ኣብ ጥቓ ከተማ ድሄረ - ካብ ዶሎው ንደቡብ 200 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ከተማ’ያ - ኣርባዕተ ቈልዑን ኣርብዓ ከብትን ከምኡ’ውን መንበሪ ገዛ ዝነበሮም’ዮም። እቲ ዞባ ማእከል ናይዚ ሕጂ ዘሎ ደርቂ ኰይኑ፡ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ምንጪ ሃብቶም ዝነበራ ናይ መወዳእታ ጥሪት ሞይተን። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሑ፡ ዝተረፎም ንብረት ብካሮሳ ኣድጊ ጽዒኖም ንሰሜን ገጾም ክኸዱ ወሲኖም፤ ንሽዱሽተ መዓልታት ድማ ብእግሮም ተጓዒዞም። ዕጡቓት ኣልሸባብ ካብታ ከተማ ከይወጹ ደው ከብሉዎም'ኳ እንተፈተኑ፡ ነታ ሞባይል ሰይሮም ሰዲዶምዎም። ሃንደበት እቶም ሓካይም ኣብ ዙርያ ዓብዲዋሊ ተኣከቡ። ሓደ ካብኣቶም ክልተ ኣጻብዕቱ ተጠቒሙ፡ ንህርመት ልቢ እቲ ቈልዓ ንምስማዕ ብተደጋጋሚ ኣብ ኣፍልቡ ኣዕሪፉዎ። ካልእ መሳርሕቱ ድማ ናብተን ዘይንቀሳቐሳ ኣዒንቲ ናይቲ ህጻን ክጥምት ቀረበ። ወለዱ፡ ተሃኒኖም ኣብ እግሪ ዓራት ደው ኢሎም ኣለዉ። ድሕሪኡ ድማ፡ ረፋድ ሰዓት 10፡13 ምስ ኰነ ኵሉ ነገር ኣብቂዑ። \"ህርመት ልቢ የላን\" ክትብል ነርስ ፋጥማ ሕሹኽ በለት። ኣደ ዓብዲዋሊ ኣብ ዓራት ተደፊኣ ክትበኪ ክትጅምር ከላ ትዕዘባ ነይራ። \"ብዙሓት ዕሸላት ከነድሕን ክኢልና ኢና። ምናልባት ግን ሕጂ ነገራት እናገደደ ይኸይድ ኣሎ\" ትብል። ሓላፊ እቲ ሆስፒታል ዓሊ ሹብ፡ \"ክትከላኸሎን ብቐሊሉ ክእረምን ዝኽእል ነገር ክትዕዘብ ከለኻ ኣዝዩ ዘሕዝንን ዘሕምምን'ዩ\" ኢሉ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ፡ ኣቦ ዓብዲዋሊ ናብ ኣዝማዱ ተሌፎን ደዊሉ፡ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ክዳሎ መደብ ገይሩ። ምስ ነብሱ እናተዘራረበ፡ “ኣብ ዝዀነ እዋን፡ ኵሉ ሰብ ክመውት እዩ” በለ። ወለዲ ዓብዲዋሊ፡ ኣብ ደገ ኣፍ እቲ ሆስፒታል ናብ ዝነበረት ኣምቡላንስ ተሰቒሎም፤ ኣቦ ብጥንቃቐ ንኣስክሬን ወዱ ሓቊፉ ሓመድ ከልብስ ከደ። ድሒራ፡ ፓሜላ ዋሶንጋ በጻሕቲ ናብቲ ጽቡቕ ዕቝር ፋርማሲን ንእሽቶ ቤተ ፈተነን እቲ ሆስፒታል ወሰደቶም። ንሳ፡ ኣብቲ ብ2011 [ኣ.ኣ] ዝነበረ ሓደጋ ዓጸቦ ኣብ ኬንያ እያ ነይራ። ካብ ሽዑ ጀሚራ ክኣ ኣብ ሶማልያ ትሰርሕ ኣላ። ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ድማ፡ ፍረ ዘለዎ ስራሕ ከም ዝተሰርሐ ትዛረብ። \"እቲ ኣብዚ ዝጸንሐ ቀጻልነት ዘለዎ ኣገልግሎት ምናልባት ኣዝዩ ኣዝዩ ዝኸፍአ ኵነታት ዘወገደ ይመስለኒ። ሕጂ ኣብ ባይታ ዝበዝሑ [ዓለምለኸ] ትካላት ከምኡ'ውን ዘቤታዊ ትካላት ኣለዉ፤ እዚኦም ናብ ኣዝዮም ኣጸገምትን ርሑቕ ከባቢታትን ክበጽሑ ክኢሎም’ዮም” ትብል። ግን፡ ካልእ ሓደጋ ዓጸቦ ኣንጸላልዩ ኣሎ፤ እቲ ሆስፒታል - ምናልባት ንግዚኡ - ብሰንኪ ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቓዲሾ ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ናዕቢ ዘጋጠመ ምድንጓያት፡ ፍርቂ ኣህጕራዊ ምወላኡ ስኢኑ ኣሎ። ካብኡ ዝገደደ ድማ፡ ዓለም ንዓቐን ናይቲ ሕጂ ኣብ ሶማል ዝስጋእ ዘሎ ሓደጋ ከተለልዮ ደንጉያ ምህላዋ ዘርኢ መርትዖታት እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ። ትሕቲ ፍርቂ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝመጽአ ገንዘብ ድማ ኣብ ቦትኡ ከም ዘሎ መረዳእታታት የመልክቱ። ንኣብነት ብሪጣንያ ኣብ 2017 ኣብ ሶማል ኣብ ዘጋጠመ ናይ መወዳእታ ከቢድ ድርቂ 223 ሚልዮን ዶላር ሰብኣዊ ሓገዝ ገይራ እያ። ኣብዚ ዓመት፡ ርብዒ ናይዚ እያ ንሓገዝ ተውዕል ዘላ። \"ዓለም... ሶማል ትዅረት ከይትስእን ንሓትት። ሶማል ሕጂ ሓገዝ የድልያ ኣሎ። እንተዘይኰይኑ ናብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ሓደጋ ኢና ንኸይድ ዘለና” ትብል ዋሶንጋ። እታ ኣምቡላንስ ኣብቲ ኣብ ምብራቓዊ ወሰን ከተማ ዝርከብ ርሑቕ ወሰን መዓስከር ላዳን ኣብ ዝበጽሓትሉ እዋን፡ ኣብ ደገ ዳስ ተሰሪሑ ስድራቤት ተኣኪቡ ነበረ። ሬሳ ናይቲ ህጻን ንምሕጻብ ማይ መጺኡ። ሓደ ሰብ ድሮ ንመግነዚ ዝኸውን ጻዕዳ ጨርቂ ኣዳልዩ ኣሎ። ክልተ ጐረባብቲ ድማ፡ መቓብር ንምዅዓት ናብቲ ብሓጹር ዝተኸበበ ቁርጽራጽ ምድረበዳ ገጾም ተበገሱ። ቦታ መሪጾም፡ ካልኦት ክልተ ንኣሽቱ ንቈልዓ ዝዀኑ ጐዳጕዲ ኲዒቶም። ድሕሪ ሓደ ሰዓት ሃዋ ኣብቲ መካነ መቓብር በጺሓ። ብባህሊ እታ ሃገር ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቀብሪ ኣይሳተፋን እየን። ንሳን ኣደኣን ግን ከይርሓቓ፡  ምስ ካልኦት ውሑዳት ደቂ ኣንስትዮ ኰይነን ነቲ ስነ ስርዓት ይከታተላ። \"ዝከኣለኪ ፈቲንኪ ኢኺ\"፤ \"ካልኦት ቈልዑ ኣለዉኺ” ክብላ እተን ደቂ ኣንስትዮ የጸናንዓኣ። ኣቦ ዓብዲዋሊ ድማ በብተራ ምስቶም ካልኦት ደቂ ተባዕትዮ፡ ነቲ ደረቕ መሬት ይዅዕት። ድሕሪኡ፡ ሓጺር ጸሎት ቀጺሉ ድማ ስነ ስርዓት ቀብሪ ስዒቡ። ንፋስ ኣብ ስግር ቆላ እናነፈሰ፡ ቁርጽራጽ ጨርቂን ጐሓፍን ኣብ ልዕሊ ኣሽሓት ዝነቐጸ ዓጽምን ዕሾኽ ዝበዝሖ ቈጣቝጥን እናተናወጸ፡ ወለዲ ዓብዲዋሊ ናብቲ ሓድሽ ገዛኦም ገጾም ተመልሱ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crg88ygevgno"} {"headline":"ዩጋንዳ፡ ዝበዝሑ ኤርትራውያንን ዝርከብዎም ኣስታት 200 ስደተኛታት ኣሲራ","content":"ዩጋንዳ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ገለ ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ‘ዘይሕጋውያን’ ዝበለቶም ኣስታት 200 ስደተኛታት ከም ዝኣሰረት ምፍላጥ ተኻኢሉ። ቢቢሲ ዝረኸቦ፡ ካብ 'ቤት ጽሕፈት ምቁጽጻር ዜግነትን ኢሚግሬሽንን' ዝተጸሕፈ ደብዳበ ከም ዘመልክቶ፡ ብ5 ጥቅምቲ 2022 ለይቲ ዝተኻየደ ጸጥታዊ ወፍሪ ስዒቡ፡ ኣብ ቦንጋ፣ ካባላጋላ፣ ካንሳንጋን ሙያንጋን ካብ ዝበሃሉ ከባብታት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝርከብዎም ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ስደተኛታት ተኣሲሮም። ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ 116 ኤርትራውያን፣ 62 ሶማልያውያን፣ 5 ኢትዮጵያውያን፣ ከምኡ ድማ ሰለስተ ዜጋታት ቻይና፣ ካናዳን ኣየርላንድን ይርከብዎም። እቲ ሰነድ ከም ዝብሎ፡ ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ፡ ኣብ 1990ታት ዝተወልዱ መናእሰይ እዮም። መብዛሕትኦም፡ ዝዀነ ሕጋዊ መለለዪ ወረቐት ዘይብሎም ኰይኖም፡ ገሊኦም ድማ፡ መዓልቱ ዝሓለፎ ናይ ስራሕ ፍቓድ ዝሓዙን ኣብ ዘይተፈቕደሎም ንጥፈታት ክንቀሳቐሱ ዝተረኸቡን ምዃኖም ይግለጽ። እቲ ሰነድ፡ እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ፡ ኣብታ ሃገር 'ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ብምንባር' ብዝብል ገበን ክኸሰሱ ምዃኖም የመልክት። ከምኡ'ውን፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ምስ ዘይሕጋዊ ዕጸ ፋርስ ብምዝውዋር፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ዝተኣሰሰሩ ገበናትን ካልእን ብዝምልከት ርክብ ዘለዎም እንተዀይኖም፡ ምስ ካልኦት ማእከላት ድሕነት ብምትሕብባር ምጽራይ የካይድ ከም ዘሎ ሓቢሩ። ኣብ ዩጋንዳ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብብዝሒ ካብ ዝርከቡለን ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ኰይና፡ ብፍላይ ኣብ ካምፓላ ድማ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሸቕላዊ ስራሕቲ ከም ዝነጥፉ ጸብጻበት ይሕብሩ። ብፍላይ ካባላጋላ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ፡ ማእለያ ዘይብሎም ብኤርትራውያን ዝወነኑ ትካላት ይርከቡ። ኣስማት እዞም ኣብ ጎዶና ሙየንጋ ዝርከብ ባራት፡ ኣብያተ መግቢ፡ እንዳ ቡንን ቤት ቁርስን መብዛሕትኡ ብሽም ወነንቱ ዝጽዋዕ ኰይኑ፡ እቲ ዝተረፈ ካብ ናይ ኣስመራ ባራት ዝርዓመ ኣስማት'ዩ ዝጽዋዕ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥቅምቲ 2021፡ ኣብ ዩጋንዳ \"ብዘይሕጋዊ\" መንገዲ ኣብታ ሃገር ኣትዮም ዝተባህሉ 15 ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን ምንባረን ይዝከር። እቶም ካብ ኬንያ ተበጊሶም ናብታ ሃገር ክኣትዉ ዝፈተኑ ኤርትራውያን፡ ኣብ ቶሮሮ ዝተባህለት ኣብ ጥቓ ዶብ ኬንያ እትርከብ ከተማ ከም ዝተታሕዙ እቶም ጸብጻባት ጠቒሶም። እቶም 11 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከብኦም ስደተኛታት፡ \"ሰነድ መንነት\" ከም ዘይነበሮምን፡ ኣብ \"ምባለ ማእከላይ መደበር ፖሊስ\" ተታሒዞም ከም ዘለውን ዴይሊ ሞኒተር ዝተባህለ ጋዜጣ እታ ሃገር፡ ንምጭታት ጸጥታ ብምጥቃስ ሓቢሩ ነይሩ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c03ngpnerdvo"} {"headline":"ኣብ ማላዊ ዝተረኽበ ጃምላዊ መቓብር “ኣዝዩ ዘሕዝን‘ዩ” - ሚኒስተር ዣን ሰንደዛ","content":"ሬሳ 25 ኢትዮጵያውያን እዮም ተባሂሎም ዝሕሰቡ ሰባት ዝሓዘ ጃምላዊ መቓብር ድሕሪ ምርካቡ መንግስቲ ማላዊ ስጉምቲ ክወስድ ቃል ኣትዩ። ፖሊስ እታ ሃገር፡ ምስቲ ገበናት ብዝተኣሳሰር 72 ኢትዮጵያውያን ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ኣሎ። ፖሊስ፡ እቶም ጥርጡራት ኣብ ካልእ መንግስታዊ ሕዛእቲ ከምዘለዉ ድሕሪ ምሕባሩ እዩ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩዎም። ንኣሽቱ ኣወዳት፡ ሕማቕ ጨና ድሕሪ ምሽታቶም፡ እዞም ሬሳታት ኣብ ጫካ ወረዳ ምዚምባ ከምዝተረኽቡ ተገሊጹ። ንጽባሒቱ ተወሳኺ ኣርባዕተ ሬሳታት ካብቲ መቓብር 5 ኪ.ሜ ርሒቑ ተረኺቡ። ሚኒስትር ፀጥታ ውሽጢ ሃገር ዣን ሰንደዛ፡ ንቢቢሲ ፎከስ ኦን ኣፍሪካ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ \"ዘሕዝን ኩነታት እዩ\" ኢላ። \"ከም መንግስቲ ብሓቂ ነዚ ዓይነት ንጥፈት ክንኩንኖ ኣለና። ቅኑዕ ኣይኮነን፡ ጽቡቕ ኣይኮነን\"። ፖሊስ ይምርምር ከምዘሎን እቶም ኣብዚ ጉዳይ ዝተሳተፉ ከምዝተሕዙን ኣስሚራትሉ። ጠንቂ’ቲ ሞት ንምፍላጥ ድሕረ-ሞት መርመራ ክግበር እዩ። ኣባላት፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኢትዮጵያውያን ዝተሳተፈ ጉጅለ ከምዝኾኑ ዝተጠርጠሩ ዓሰርተ ማላዊያን እውን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ። ዛጊድ ናብ ቤት ፍርዲ ኣይቀረቡን። መንግስቲ፡ ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊት ክፋል’ታ ሃገር ዘይሕጋዊ ስግግር ደቂ ሰባት ደው ንምባል ኣብ ጽርግያታትን ዶባትን \"ቁጽጽር የሐይል\" ከምዝነበረ ወ\/ሮ ሰንደንዛ ወሲኻ ገሊጻ። ብዙሓት ካብቶም ኣሰጋገርቲ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመጹ እዮም ኢላ። ኣብ ማላዊ ዝርከቡ ሲቪላዊ ማሕበራት እውን ሰበስልጣን ቅልጡፍን ዕሙቕ ዝበለን ፎረንሲክ መርመራ ከካይዱ ይጽውዑ ኣለዉ። ማእኸል ሰብኣዊ መሰላትን ተሃድሶን (CHRR)ን ማእኸል ተበግሶ ዲሞክራሲን ቁጠባዊ ልምዓትን (CDEDI)፡ በበይኖም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ምርካብ እቶም ሬሳታት ኣብታ ሃገር ብቕልጡፍ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ስደትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ቅልውላው ከምዘሎ ዘርኢ ስለዝኾነ፡ ቅልጡፍን ወሳንን ስጉምቲ ዘድልዮ ምዃኑ ገሊፆም። ማላዊ፡ ካብ ኢትዮጵያን ሶማልን ሓዊሱ ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ደቂ ተባዕትዮ፣ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዘሰጋግሩሉ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ትቃለስ ኣላ። ካብ ማላዊ ሰጊሮም ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኤውሮጳን ኣመሪካን ይዘልቁ። እቲ ሰንሰለት ዘይሕጋዊ ስግረ ዶብ፡ ጽልዋ ዘለዎም ማላዊያውያን ዘሳትፍ ምዃኑ ይግመት። ኣብ 2020 ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ማላዊ ሚኒስተር ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ነበር ኡላዲ ሙሳን ሓደ ሓላፊ ኢሚግሬሽንን፡ ንማላዊ ዘይኮኑ ሰባት ፓስፖርት ማላዊ ንኽረኽቡ ብምሕጋዞም ንሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ ፈሪድሎም ነይሩ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c84epdj798wo"} {"headline":"ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ወተሃደራት ሶማልያ ናብ ሃገሮም ክምለሱ እዮም","content":"ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓመድ ኣብ ኤርትራ ንነዊሕ እዋን ክስልጥኑ ዝጸንሑ ወተሃደራት ሶማልያ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ሰሙናት ናብ ሃገሮም ከም ዝምለሱ ገሊጹ። ፕረዚደንት ሓሰን ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣፍሪቃን-ኣሜሪካን ንምስታፍ ናብ ኣሜሪካ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ኣብ ግዝኣት ሚነሶታ ንዝነብሩ ሶማላውያን ኣብ ዘስምዖ መደረ እዩ። እቶም ወተሃደራት ክሳዕ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጥሪ ምሉእ ብምሉእ ናብ ሶማልያ ከም ዝምለሱ ሬድዮ መንግስቲ ሶማልያ ሓቢሩ። ጉዳይ እቶም ቅድሚ ክልተ ዓመት ብፕረዚደንት ነበር ዓብደላሂ ፋርማጆ ንወተሃደራዊ ታዕሊም ናብ ኤርትራ ዝተላእኹ 5,000 ሶማላውያን ወተሃደራት፡ ኣብ ወጻኢ ይኹን ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ከዘራርብ ጸኒሑ'ዩ። ስድራ እቶም ወተሃደራት ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቓድሾ ናብ ጎደናታት ወጺኦም ተቓውሞኦም ዝገለጹ ክኸውን ከሎ፡ መንግስቲ ኩነታት ደቆም ንክሕብርን ናብ ሃገሮም ንኽመልሶምን ሓቲቶም ነይሮም። ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተለዓለ ኩናት ስዒቡ፡ እዞም ወተሃደራት ሶማልያ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኤርትራ ተሰሊፎም ኣብ ኩናት ትግራይ ተሳቲፎም ዝብል'ውን ዲፕሎማስያዊ ክርክር ከም ዝፈጠረ ይዝከር። ፕረዚደንት ሓሰን ግን፡ ነቲ ኣብ ኲናት ትግራይ ከምዝተሳተፉ ዝገልጽ ጸብጻባት፡ ዘይተረጋገጸ ወረ'ዩ ክብል ነጺግዎ'ሎ። እንተኾነ ግን፡ ናብ ስልጣን ክምለስ ኣብ ዘካይዶ ዝነበረ ጎስጓሳት መረጻ፡ ባዕሉ ነቲ ወረታትን ጸብጻባትን ኣብ ምጉዋሕ ተራ ከምዝነበሮ'ዩ ዝግለጽ። ኣብ ወርሒ መጋቢት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኤርትራውያን ዝሰልጠኑ ወተሃደራት ሶማልያ ምስ ወተሃደራት ኤርትራ ብሓባር ኣብ ኲናት ትግራይ ከም ዝተሳተፉ ይገልጽ። እቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ምሕደራ ሰብኣዊ መሰላት ዘተኮረ ሰነድ፡ ኣብ ታዕሊም ዝነበሩ ወተሃደራት ሶማልያ ናብ ግንባራት ትግራይ ከም ዝተወስዱን ኣብ ኣኽሱም እውን ከም ዝነበሩን ዝገልጽ ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ። ኣብ ጉዳይ ምምላስ ወተሃደራት ስቕ ምባል መሪጹ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ነበር መሓመድ ዓብደላሂ ፋርማጆ፡ ኣብ መረጻ ተሳዒሩ ስልጣን ኣብ ዘረከበሉ እዋን ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠኑ 5 ሽሕ ወተሃደራት ከም ዝነበሩ ምግላጹ ይዝከር። ፋርማጆ፡ እቶም ወተሃደራት ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ኤርትራ ታዕሊሞም ከም ዝዛዘሙ ብምግላጽ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ኩነታትን ምርጫ ሶማልያን ጽልዋ ከየሕድሩ ስግኣት ስለ ዝነበረ ምምላሶም ከም ዝተደናጐየ ገሊጹ ነይሩ። ፋርማጆ ብተወሳኺ ፋይላት ናይቶም ወተሃደራት ነቲ ሓድሽ ዝተመርጸ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ከም ዝተወሃበ ኣረጋጊጹ። ፖለቲከኛታት ሶማልያ ኣብ ጉዳይ እቶም ብሕቡእ ተመልሚሎም ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ ኣሽሓት ወተሃደራት ክካትዑ ጸኒሖም እዮም። ንካልኣይ ግዜ ነታ ሃገር ክመርሕ ናብ መንበሩ ዝተመልሰ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓመድ፡ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ እቶም ወተሃደራት ብቕልጡፍ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፡ እታ ሃገር ኣንጻር ኣልሸባብ ኣብ እትገብሮ ቃልሲ ከም ዝሳተፉ ገሊጹ ነይሩ። ኤርትራ፡ እቲ ፕረዚደንት ስልጣን ምስ ተረከበ ካብተን ቀዳሞት ዝበጽሓ ሃገራት እያ። ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓመድ እውን ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክልተ ግዜ ናብ ኣስመራ ብምኻድ ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ከም ዝተዘራረበ ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለን ወርሒ ሕዳርን ናብ ኤርትራ ዝተጓዕዘ እቲ ፕረዚደንት፡ ምስቶም ኣብ ታዕሊም ዝነበሩ ወተሃደራት ከም ዝተራኸበን ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቓኦም’ውን ከም ዝተሳተፈ ዝዝከር እዩ። እቲ ፕረዚደንት ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፡ ምስ ዕጡቕ እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ከቢድ ውግእ ከካይድ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ድማ፡ መንግስቲ ንብዙሕ ከባቢታት ዳግማይ ክቆጻጸር ከም ዝኸኣለ ጸብጻባት ይሕብሩ። መንግስቲ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓመድ፡ ነዚ ወፍሪ ኣጠናኺሩ ነቲ ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ኣለዎ ዝበሃል ጉጅለ ንምጥፋእ ዝገብሮ ጻዕሪ እናቐጸለ ይርከብ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c03n366r97yo"} {"headline":"ሕግታት ራዕዲ ኣሜሪካ፡ ንዕደላ ረድኤት ሶማልያ ዕንቅፋት ድዮም?","content":"ኣብ ሶማልያ፡ ኣስታት ሸሞንተ ሚልዮን ሰባት ንሕሱም ጥምየት ተቓሊዖም ይርከቡ፤ ልዕሊ 213 ሽሕ ድማ “ኣብ ኣፍ ሞት” ከም ዝርከቡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። ኣብታ ሃገር፡ ኣርባዕተ ወቕቲ ዝናብ ፈሺሉ'ዩ። ስለዚ፡ ልዕሊ 70 ሚእታዊት ካብቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘተኣኻኸቦ ሓገዝ፡ 1.46 ቢልዮን ዶላር ኣብታ ሃገር በጺሑ ኣሎ። ሓደ ኣብ ባይታ ዘሎ ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ትጽቢት ካብ ዝተገብሮ ገንዘብ ንላዕሊ ከም ዝተኣከበ ሓቢሩ። ግን ክኣ፡ ሕጂ’ውን መግቢ፡ ማይ ወይ ገንዘብ ናብቶም ህጹጽ ረድኤት ዝደልዩ ሰባት ክበጽሕ ኣይከኣለን። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ይብል ሽሙ ክርቋሕ ዘይደለየ ላዕለዋይ ወኪል እቲ ትካል፡ ሕጋገ ጸረ ግብረ ራዕዲ ኣሜሪካ’ዩ። ካብ ኣሜሪካ ገንዘብ ዝረኽቡ ትካላት፡ እቲ ሓገዝ ኣብ ኢድ “ኣሸበርቲ” ከም ዘይኣቱ ከረጋግጹ ኣለዎም፤ ዝበዝሕ ከባቢታት ደቡብ ሶማልያ ክኣ ኣልሸባብ’ዩ ተቘጻጺሩዎ ዝርከብ። እዚ ጕጅለ፡ ምስ ኣልቓዒዳ ርክብ ዘለዎን ኣሜሪካን ብሪጣንያን ኣሸባሪ ኢለን ዝወሰናኦን’ዩ። ካልእ ሓላፊ ትካል ረድኤት ብወገኑ፡ “ሓደ ስጕሚ’ውን ክንስድር ኣይክኣልናን” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ቅድሚ 11 ዓመታት፡ ኣብቶም ኣልሸባብ ዝተቘጻጸሮም ከባቢታት ኣስታት 260 ሽሕ ሰባት ብሰንኪ ዓጸቦ ሞይቶም’ዮም። ኣሜሪካ፡ እቲ ኣብ ሶማልያ ዘጋጠመ “ከቢድ ሰብኣዊ ኵነታት” ከም እትግንዘቦ ብምግላጽ እቶም ኣንጻር ሽበራ ዝግበሩ ጻዕርታት ኣብ ልዕሊ ረድኤት ዘነጻጽሩ ኣይኰኑን ትብል። ብተኸታታሊ፡ ጽልዋ እቶም እገዳታት ከም ዝግምገሙን ኤጀንሲታት ሰብኣዊ ረድኤት ማሕለኻታት ከጋጥሞም እንከሎ፡ ሓገዝ ሰብ መዚ ኣሜሪካ ክሓቱ ከም እተተባብዕን ትገልጽ። ይዅን’ምበር፡ እዚ መረጋገጺ ነቶም ንቢቢሲ ዝተዛረቡ ክልተ ትካላት ረድኤት እዅል ኣይኰነን። መንግስቲ ናብ ዝተቘጻጸሮም ከባቢታት’ኳ እንተበጽሑ ናብቶም ብኣልሸባብ ዝመሓደሩ ከባቢታት ዝበጽሕ ቀረባት ግን ከም ዘየለ ሓቢሮም። ኣብዞም ከባቢታት ኣስታት 900 ሽሕ ሰባት ከም ዝነብሩ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። ገሊኦም ድማ፡ ሕጂ ብኸቢድ ደርቂ ዝተጠቕዑን ምናልባት ኣብ ቀረባ ዓጸቦ ከጋጥሞም ዝኽእልን እዮም። እቲ ልዕሊ ዝተለሞ ገንዘብ ዘተኣኻኸበ ትካል ሰብኣዊ ረድኤት፡ ቅድሚ ሕጂ፡ እቲ ንሶማልያ ዝወሃብ ውሱን ረድኤት ንምስላጥ “ዝተማልአ ምላሽ ንምሃብ ገንዘብ የብልናን” ኢሉ ነይሩ። ሕጂ ግን፡ ስለምንታይ ዝያዳ ዘይተሰርሐ ዝብሉ “ስክፍታ ዘለዎም ሕቶታት” ይቐርቡ ኣለው። ኣልሸባብ፡ ኣብ ሶማልያ ኣዝዮም ሓደገኛ መጥቃዕታት ብምፍጻም፡ ምንቅስቓሳት ሰብኣዊ ረድኤት የተዓናቕፍ እዩ። ብ2011 ኣብ ዘጋጠመ ደርቂ፡ ኮማንደራት እቲ ዕጡቕ ጕጅለ፡ ጕጅለታት ሰብኣዊ ረድኤት ናብቶም ዝተቘጻጸርዎም ቦታታት ንኽኣትው ዓሰርታት ኣሽሓት ዶላራት የኽፍልዎም ከም ዝነበሩን፡ ንገሊኦም ከልኪሎም መግብን መድሃኒትን ኣቃጺሎም፡ ሰራሕተኛታት ረድኤት ከም ዝቐተሉ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ነይሩ። ኣብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም፡ እቶም ዕጡቓት ኣብ ማእከላይ ሶማልያ ብርክት ኣብ ዝበላ መካይን መጥቃዕቲ ብምኽፋት 20 ሰባት ቀቲሎምን ረድኤት መግቢ ኣዕንዮምን’ዮም። ኣልሸባብ፡ ምስ መንግስቲ ንዝሰርሑ ዕጡቓት’የ ዒላማ ገይረ ይብል። ዋላ’ውን፡ እዞም ስግኣታት እንተሃለው፡ ነቶም ኣብ ኣፍ ዓጸቦ ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ምብጻሕ ዝድለ እንተዀይኑ፡ ንኽሲ ኣሜሪካ ከይሰጋእካ ምስ ኣልሸባብ ስምምዕ ምግባር ኣድላዪ’ዩ፡ ክብል ሓደ በዓል መዚ ሰብኣዊ ረድኤት ተዛሪቡ። ኣሜሪካ እትድግፎ ጕጅለ ሰብኣዊ ረድኤት፡ ምስ ኣልሸባብ ምዝርራብ ኣይክልከልን፤ ምልውዋጥ ገንዘብ ምግባር ግን ካልእ ነገር እዩ። ክልተ ሕጋጋት መንግስቲ ፌደራል ኣሜሪካ ገንዘብ ንኣልሸባብ ምሃብ ይኽልክላ፤ እዚኦም ክልቲኦም፡ ኣልሸባብ ኣብ ዝቈጻጸሮም ከባቢታት ኣብ ዘለው ነቝጣታት ፍተሻ ገንዘብ ስለ ዘኽፍልን ከም “ግብሪ” ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ጠለባት ስለ ዘቕርብን ንትካላት ረድኤት ይጸልዉ'ዮም። ብ2011፡ ኣብ ሶማልያ ዓጸቦ ምስ ተኣወጀ፡ ጻዕርታት ሰብኣዊ ረድኤት ንምቅላል እገዳታት ኣሜሪካ ብኸፊል ከም ዝፈዅሱ ተገይሩ። ሰብ መዚ ቤት ግምጃ ኣሜሪካ ዘውጽእዎ መምርሒ፡ “ብዘይፍላጥ” ዝዀነ መግቢ ወይ መድሃኒት ኣብ ኢድ ኣልሸባብ እንተኣትዩ፡ “ግዳይ” እቲ መምርሒ እገዳታት ኣይከውንን ይብል። ብተወሳኺ፡ እቶም ትካላት ረድኤት ዘጋጠሙዎም ሰባት፡ እቶም ሚሊሻታት ምዃኖም ከይተገንዘቡ፡ “ብዘይፍላጥ” ገንዘብ ከፊሎም እንተዀይኖም’ውን እቲ እገዳ ኣብ ግብሪ ከም ዘይውዕል ይጠቅስ። እቶም ትካላት፡ ንኣልሸባብ “ግብሪ” ምኽፋል ክልኩል’ዩ ይብሉ። እቲ መምርሒ፡ ከምዚኦም ዝበሉ ጠለባት ዝቐርበሎም እንተዀይኑ፡ ንሰብመዚ እገዳታት “ከማኽሩ” ኣለዎም ይብል። ንኣልሸባብ፡ “ማተርያላዊ ሓገዝ” ምግባር ግን ፍጹም ዝተኸልከለ’ዩ። ይዅን’ምበር፡ እዞም ሕጋጋት ኣብ ልዕሊ ገለ ትካላት ረድኤት ሓያል ጸቕጢ የሕድሩ ኣለው። ሕጋጋት ብምጥሓስ ክሳብ ሓደ ሚልዮን ዶላርን 20 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርትን መቕጻዕቲ ከኸትል ይኽእል’ዩ። ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ኣሜሪካ [ዩኤስኤይድ]፡ ዝለዓለ ሓገዝ ሶማልያ ዝሽፍን ኰይኑ፡ ኣሜሪካ ካብ 2011 ኣትሒዛ፡ እቶም እገዳታት ኣብ ልዕሊ ንጥፈታት ሰብኣዊ ረድኤት ሽግራት ከይፈጥሩ ንምርግጋጽ ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክትሰርሕ ጸኒሓ እያ ይብል። እንተዀነ፡ እዚ ነቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰብ መዚ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ኣይሓገዞምን። ኣክንድኡ፡ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት እቲ ሓደገኛ ግን ክኣ ኣገዳሲ ስርሖም ንኽውግኑ፡ ብሓፈሻ እቶም ሕግታት ክፈዅሱ ይሓቱ። እቲ ሓደ፡ እቶም ሕጋጋት “ምፍኳሶም ዝያዳ ናብ ብዙሓት ቦታታት ንኽንበጽሕ ዕድል ይህበናን እዋናዊ ይኸውንን” ኢሉ። እቲ ካልእ ወሃቢ ርእይቶ ብወገኑ፡ ህይወት ኣሽሓት ኣብ ሓደጋ’ዩ ዘሎ ይብል። ኵሎም እቶም ብኣሜሪካ ዝሕገዙ ትካላት ረድኤት ግን እቶም እገዳታት ንስርሖም ማሕለኻ ኰይኖምና ኣይብሉን። ምኽትል ዳይረክተር ህጻናት ኣድሕን [Save the Children] ሶማልያ ቢnያም ገብሩ፡ ዩኤስኤይድ ናብቶም ኣዝዮም ኣጸገምቲ ዝዀኑ ቦታታት ምብጻሕ ንክኽእሉ ሓገዛት ከም ዝገበረሎም ይዛረብ። እቶም ምስቶም ዕጡቓት ዝግበሩ ዝርርባት ክኣ ብናይቲ ከባቢ መሓዙት ዝውገኑ ምዃኖም ሓቢሩ። ሰይቭ ዘችልድረን፡ ረድኤት ኣብ ዘግብኦ ኢድ ከይወድቕ ኣብ ምክልኻል ጥንቃቐ ከም ዝገብር ዝገልጽ ቢንያም፡ ኣገልግሎት ኣብ ዝህበሉ ግዜ ብዙሓት ቅድመ ጥንቃቐን ምቍጽጻርን ከም ዝገብር ሓቢሩ። እቶም ሕጋጋት፡ ዋላ’ውን “ቀየድቲ” እንተዀኑ፡ ትካሎም ናብቶም ኣልሸባብ ዘመሓድሮም ሕብረተሰብ ይበጽሕ ምህላው’ዩ ዝገልጽ። እቲ ዓቢይ ጸገም ትካል ህጻናት ኣድሕን ግን፡ ፋይናንሳዊ ቀረብ እዩ። ኣብ ሶማልያ ሓላፊ ኮሚሽን ስደት ሕቡራት ሃገራት ፍራንዝ ሴለስቲን፡ ሰብ መዚ ኣሜሪካ፡ ነቲ ዘሎ ሕጋዊ መስርሕ ተኸቲልካ ረድኤት ናብ ኣጸገምቲ ቦታታት ክኣቱ ከም ዝደልዩ ገሊጹ። እንተዀነ፡ እቶም ትካላት “ግብሪ” እንከይከፈሉ ናብቶም ብኣልሸባብ ዝመሓደሩ ከባቢታት ንምእታው ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ኣልሸባብን ብደረጃ ላዕለዎት ሰብ መዚ ዝግበሩ ዝርርባት ኣገደስቲ’ዮም ይብል። ኣብ መጀመርታ መስከረም፡ ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት እቲ ትካል ማርቲን ግሪፍስ፡ ከምዚኦም ዝበሉ ዝርርባት ኣይተኻየዱን ብምባል ተዛሪቡ ነይሩ። ምሁር ዩኒቨርሲቲ ቱፍትስን ሓደ ካብ ጸሓፍቲ እቲ ብ2011 ዘጋጠመ ደርቅን ዝዀነ ኒሳር ማጂድ፡ ኣልሸባብ ንመብዛሕትኡ ክፋል ሶማልያ ዘመሓድር ሓይሊ ምዃኑ ይገልጽ። ኣልሸባብ ንህዝብን ትካላት ንግድን ግብሪ ብምኽፋል፡ ካብ መንግስቲ ንላዕሊ “ዝያዳ ውጽኢታዊ” ከም ዝዀነን ኣዝዩ ከቢድ ስርዓተ ፍትሒ ከም ዘለዎን ሓቢሩ። ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት፡ ዓለምለኻዊ ትካላት ምስ ኣልሸባብ ርክባት ከይፈጥሩ ጥራይ ዘይኰነ፡ “ኣሸበርቲ ሓጊዞም” ብዝብል ኣብ ሜድያ ከይቃልዑ እሞ ስሞም ንኸይበላሾ ንምዕቃብ ጸቕጥታት ክበጽሖም ጸኒሑ’ዩ። ግን ክኣ፡ ኣልሸባብ ካብ ናይ ረድኤት ገንዘብ ብዙሕ ጥቕሚ ይረክብ ድዩ ዝብል ግልጺ ኣይኰነን ይብል ፕሮፌሰር ጂኦግራፊ ዩኒቨርሲቲ ሚኒሶታን ሓጋጊ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሶማልያን ዓብዲ ኢስማል ሳማታር። ብ2013 ዝወጽአ ጸብጻብ ጕጅለ ሰብኣዊ ፖሊሲ፡ ካብ ትካላት ረድኤት ዝርከብ ገንዘብ ኣልሸባብ፡ “ኣብ ዶባት ዘለዎ ስርዓተ ግብሪ ዝሽፍን ሒደት” ገንዘብ እዩ፤ እቲ ጕጅለ “ብርክት ዝበሉ ካልኦት ኣታዊ ዝረኽበሎም ስርዓታት” ኣለውዎ ይብል። ይዅን’ምበር፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ ጕጅለ ሰብኣዊ ረድኤት ዝቕበሎ ዓሰርታት ኣሽሓት ዶላራት ተወሳኺ ኣታዊ ይኸውን እዩ። ኣሜሪካ፡ ሕግታታ፡ “ኣሸበርቲ” ገንዘብ ንኸይረኽቡ ዝገብር እዩ ትብል። መንግስቲ ሶማልያ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት “ኲናት” ክእውጅ እንከሎ፡ ምንጪታት ኣታዊ እቲ ጕጅለ ምዕጻው ክስዓር ይገብሮ’ዩ ይብል። ፕሮፌሰር ሳማታር ግን፡ እቶም ንትካላት ረድኤት ዘዐንቅፉ ዘለውን፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ገንዘብ ንምልኣኽ ዝጥቀሙሎም ኣገልግሎታትን ሕጋጋት ከም ዝፈኵስ ብምግባር፡ ነቶም ዝጠመዩ ሶማላውያን ለውጢ ከምጽእ ይኽእል’ዩ ኢሉ። ኣብታ ሃገር፡ ሓምሻይ ወቕቲ ዝናብ ክፈሽል’ዩ ተባሂሉ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉን ዋጋታት መግቢ ኣብ ዝንህረሉ ዘሎን፡ ቍጽሪ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ክውስኽ እዩ። “ሰባት ካብ ኣልሸባብ ሓራ ቅድሚ ምውጽኦም ካብ ምጥፋእ ከነድሕኖም ይግባእ። ኣሸበርቲ ምውጋእ ናይ ነዊሕ እዋን ፕሮጀክት’ዩ፤ ዝጠምዩ ዘለው ሰባት ምድሓን ግን ግዜ ዝወሃቦ ኣይኰነን” ክብል ፕሮፌሰር ሳማታር ተዛሪቡ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c2j454eeg38o"} {"headline":"ብኣሜሪካ ዝምወል 'በርቃዊ' ብርጌድ ሶማልያ","content":"ኣጋ ወጋሕታ እዩ፤ ነፍሲ ወከፈን ከም ቅንፍዝ ዝኣሾኻ ሰለስተ ፒክኣፕ መካይን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ብኸቢድ ዝዓጠቑ ወተሃደራት ጽዒነን ነቲ ኣብ ማእከላይ ሶማልያ ኣብ ዝርከብ በረኻታት ሰንጢቐን ይሕንበባ ኣለዋ። መራሒ ናይታ ማእኸለይቲ መኪና ኣብ ልዕሊ መዘወሪኡ ንቕድሚት ተደፊኡ ካብቲ እሾኽ ዝበዝሖ ቁጥቋጥ ከምልጥ ማርሻ ድሕሪ ምቕያር ፍሽኽ እናበለ፡ ካብቶም እግሮም ኣብ ልዕሊ ጎድኒ እታ መኪና ዘንጠልጠሉ ብጾቱ ዝወደቐ ከምዘየለ ብጎኒ መስትያት ኣረጋጊጹ። \"ቀዳማይ ስራሕና ምእታው'ዩ\" ይብል ሓደ መንእሰይ ሌተናል፡ ኣብ መንበር ተሳፈርቲ ኮፍ ኢሉ፡ ኣብቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ገጠራት፡ ምልክታት ድብያ ወይ ድማ እቲ ብዙሕ ግዜ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ዝጥቀመሉ ናውቲ ምፍንጃር ከይህሉ እናመርመረ። እዞም ብሉጻት ወተሃደራት ሃገራዊ ሰራዊት፡ ኣባላት ናይቲ ብኣሜሪካ ዝምወልን ዝሰልጠነን ዳናብ - ማለት \"በርቃዊ\" - ብርጌድ ኮማንዶ ኮይኖም፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ሰፊሕ ምልዕዓል ኣንጻር ኣልሸባብ ማእከላይ ተራ ተጻዊቶም እዮም። እዚ ድማ እቶም ዕጡቓት ካብ ኣብ ማእከል ሶማልያ ዝርከባ ዓሰርተታት ከተማታትን ቁሸታትን ክወጹ ገይሩ እዩ። እቲ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ዓወት ናይቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ፡ ​​ዋላ’ውን ሚልዮናት ምስ ኣዕናዊ ድርቂ ኣብ ዝቃለሱሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ማዕበል ተስፋ ኣለዓዒሉ’ሎ። \"እዚ ንዓመታት ካብ ዝተሰምዓኒ እቲ ዝያዳ ተስፋ ዝህብ'ዩ። ኣንጻር ኣልሸባብ ዓወት ስለ ዝጠዓምና፡ ነዞም ስርሒታት ደው ከብሎ ዝኽእል ነገር የለን። ክስዓሩ ከምዝኽእሉ ርኢና ኢና፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ህዝቢ ሶማልያ ነቒሑ'ሎ\" ይብል ማሊክ ዓብዳላ። ንሱ፡ ኣብቲ ዝበዝሕ ውግእ ዝተኻየደሉ ዞባ ሂራን፡ ኣባል ባይቶ እቲ ከባቢ እዩ። ድሕሪ ሰለስተ ሰዓታት ዝወሰደ ሓያል ጉዕዞ፡ እቲ ቃፍላይ ኣብ ወሰን ሓንቲ ቡኩረ እትበሃል ንእሽቶ ከተማ በጺሑ፡ ወተሃደራት ሻድሻይ ቦጦሎኒ ዳናብ ድማ ካብ መካይኖም ዘሊሎም ወሪዶም። ስጡማት፡ ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎም፡ ብረቶም ብግቡእ ዝጥቀሙን ኣብ ጉዕዞ ሸኽሚ ዘየብዝሑን እዮም። ቃል ከይተዛረቡ ነታ ናብቲ ክፍለ ሰራዊትን ዞባ ግጭትን ንምእታው ሳሕቲ ዝወሃብ ፍቓድ ዝረኸበት ሰለስተ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ዝሓቖፈት ጉጅለ ይሕልዉ። \"ወረ ብቕልጡፍ’ዩ ዝዝርጋሕ። ኣልሸባብ ኣብዚ ከም ዘለኹም ድሮ ክፈልጥ እዩ። ስለዚ ድማ ኢና ሎሚ ቅድሚ ድብያ ምትካሎም መገዲ ምእንቲ ክንጅምር ብንግሆኡ ካብ መዓስከር ክንወጽእ ዝተገደድና\" ይብል ሓላፊ መራኸቢ ሲቪልን ወተሃደራዊን ዝኾነ ኣስሊ ሃላነ። ኣስሊ ብዕሊ ምሳና ክዛረብ ስልጣን ዝተዋህቦ እንኮ ኣባል ናይታ ኣዝያ ምስጢራዊት ክፍለ ሰራዊት እዩ። ሰለስተ ወተሃደራት ኣብተን መካይን ተሪፎም፡ ኣብ ድሕሪ እቲ ነፍሲ ወከፍ ፒክኣፕ ዝተሰቕሉ ዘርዕድ ከበድቲ ብረት ዶሽካ ብምዃን ነቶም ዘርጠብጠብ እናበሉ ካብቲ ኣብ ከባቢኦም ዝነበረ ገጠራት ዝመጽኡ ሳገምቲ ጓሶት ይከታተሉ። ሳጅን ሃላነ ብጥቃ ዝተቓጸለ ተረፍ ሓያሎ ንኣሽቱ ድኳናት ኣናሓለፈ \"ኣብዚ 60 ዕጡቓት ኣልሸባብ ቀቲልና ኢና\" ብምባል፡ ነቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ነታ ከተማ ንምቁጽጻር ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ውግእ የዘንቱ። ኣብ መወዳእታ ሓያሎ ኣማኢት ዕጡቓት ካብ ቡኩረ እኳ እንተ ኣንስሓቡ፡ ብዙሓት ህንጻታት ኣቃጺሎምን ነታጒ ተጠቒሞም ብኮንክሪት ንዝተሰርሐ ግምቢ ማይ እታ ከተማ ኣዕንዮምን እዮም። እቶም ደቂ ዓዲ፡ ነቲ እቶም ዕጡቓት ዝፈጸምዎ ተግባር ከም ቁጥዐ ዝመልኦ ጽልኢ ይትርጉምዎ። ካድራ ፋራ ዝተባህለት ኣብቲ ከባቢ እትነብር በዓልቲ ድኳን፡ ሓደ ንድሕሪት ዝምለስ ዝነበረ ዕጡቕ ድኳና ድሕሪ ምቅጻሉ ከመይ ከምዝተኮሰላ ገሊጻ። እቲ ሕብረተሰብ ንብዙሕ መዓልታት ብዘይ ማይ ይኹን መግቢ ተሪፉ፡ \"ክሳብ ሕጂ መሰረታዊ ቀረብ የብሎምን። ኣብዚ፡ ነገራት ናይ ብሓቂ ሕማቕ እዮም\" ይብል ሳጅን ሃላነ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ ቡኩረ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ብዙሕ ካልእ ክፋላት ሶማልያ ዘሎ ስምዒት፡ እቲ ልሙድ ፍርሒን ተስፋ ምቑራጽን ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡስ፡ ኣብ ሳሕቲ ዝረአ ህዝባዊ ተጻብኦ፡ ዓሰርተታት ሲቪላውያን ብቪድዮ ንኽሰኣሉ ፍቓደኛታት እዮም ኔሮም፡ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ዘለዎም ጽልኢን ገለ መሰረታዊ ነገርን ተቐይሩ'ዩ ዝብል እምነትን ብግልጺ የርእዩ። \"ኣብ ትሕቲ ኣልሸባብ ምሸት ምሸት ብፍርሒ ንድቅስ ነይርና\" ይብል ዓሊ ዳሂር ዋርሳመ ዝተባህለ ወዲ 48 ዓመት መራሒ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ። \"ሕጂ ግን ምስ እስልምና ዝኾነ ርክብ ከምዘይብሎም ተረዲእና ኣለና። ንንጹሃት ሰባት ክጎድኡ ጸኒሖም እዮም። ሕጂ ናብዚ ከምዘይምለሱ ሚእቲ ብሚእቲ ርግጸኛታት ኢና።\" ከምዚ ዝኣመሰለ ምትእምማን ካበይ'ዩ መጺኡ? ሓደ ክፋል ናይዚ መብርሂ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ሶማልያ ዘጋጥም ዘሎ ድርቂ እዩ። እዚ ድርቂ፡ ካብ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተርኣዩ እቲ ዝኸፍአን ብዙሓት ማሕበረሰባት ኣብ ኣፍደገ ጥሜት ክርከቡ ዝገበረን እዩ። እዚ ድማ እቶም ሰባት፡ ኣንጻር ሓደ ብምጭብርባር፡ ጉቦን መቕጻዕታዊ ግብሪ ብምንባርን ዝፍለጥ ዕጡቕ ጉጅለ ካብ ምቅዋም ሓሊፎም ካልእ ኣማራጺ ከምዘይብሎም ክስምዖም ገይሩ እዩ። ካልእ ምኽንያት ግን ባህሪ ናይቲ ናዕቢ ንባዕሉ እዩ። እዚ ናዕቢ ብናይቲ ከባቢ ሓረስቶትን ዓሌታትን ዝምራሕ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብመንግስቲ፡ ሰራዊትን ፍሉያት ሓይልታትን ዝድገፍ መሰረታዊ ሰውራ እዩ። \"እዚ መቐይሮ'ዩ። ሰባት ብሓቂ ብኣል-ሸባብ ቅጭ መጺእዎም’ዩ። መንግስቲ ነዚ ዕድል [ክጥቀመሉ] እንተኽኢሉ ኣል-ሸባብ ክጠፍእ'ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ\" ይብል ጋዜጠኛ ነበር ኣባል ባይቶ መሓመድ ሞኣሊሙ። መሓመድ ሞኣሊሙ፡ ካብ እቶም ዕጡቓት ዝፈጸምዎም ብዙሕ መጥቃዕትታት ብህይወት ዝተረፈ ኮይኑ ነቶም ኣብ ዞባ ሂራን ዝበዝሕ ቃልሲ ዘካይዱ ኣባላት ምልሻታት ዓሌት \"ማዓዊስሊ\" ንምብጻሕ ሰሙናት ኣሕሊፉ እዩ። እዚ ህዝባዊ ናዕቢ ነቲ ንሶማልያ ናብቲ ንሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ዝጸንሐ ግጭትን ስርዓት ኣልቦነትን ዘእተወ ብዕምቆት ዝተሰረተ ምፍልላይ ዓሌታት ክፈትሕ ይኽእል ድዩ? ዝብል ሕቶ ግን ገና መልሲ ኣይረኸበን ዘሎ። ድሮ ኣብ ገለ ክፋላት ናይቲ ጽንኩር ፌደራላዊ ስርዓት እታ ሃገር ዝርከቡ ሓያላት መራሕቲ፡ ብዛዕባ ተወፋይነትን ብቕዓትን ማእከላይ መንግስቲ ከምዝጠራጠሩ፡ ነቲ ገና ክፈርስ ዝኽእል ናዕቢ ክድግፉ ፍቓደኛታት ከምዘይኮኑን እዚ ድማ ዝያዳ ነቶም ዕጡቓት ክቃልዑ ከምዝገብሮምን ምልክታት ይርኣዩ ኣለዉ። \"እቲ ስትራተጂ ይሰርሕ ኣሎ\" ዝብል ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ፕረዚደንት ሶማልያ ሑሴን ሸኽ-ዓሊ፡ እቶም ፈሪሖም ዘለዉ ፖለቲከኛታት ኣብ ቀረባ እዋን ነቲ ናዕቢ ክድግፉ ምዃኖም ኣተንቢሁ’ሎ። \"ጸረ ኣልሸባብ ዝኾነ ስምዒት ኣዝዩ ተፈታዊ ስለዝኾነ፡ ፖለቲከኛታት ንፌደራል መንግስቲ ክዕንቅፉ ወይ ክፈታተኑ ክረኣዩ ኣይደልዩን\" ይብል ሚስተር ሸኽ-ዓሊ። ብርግጽ እዚ ንሶማልያ ናብ ዘይርጉጽ ኩነታት ዘእተዋ ውህደት ድርቅን ግጭትን፡ እቲ ማእከላይ መንግስቲ እቶም ዕጡቓት ኣብ ሰፊሕ ክፋል ገጠራት ንዘለዎም ምቁጽጻር ንክብድህ ሳሕቲ ዘጋጥም ዕድል ኣቕሪቡሉ እዩ። ብርጌድ ዳናብ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ካብ ኣስታት 1,500 ወተሃደራት ናብ ልዕሊ ዕጽፊ ክዓቢ፡ ኣሜሪካ ድማ ዝያዳ ምወላ ክትህብን ዝያዳ ወተሃደራዊ ደገፍ ክትገብርን ትጽቢት ይግበር። \"ኣሜሪካ? እቶም ሕያዎት ወገናት'ዮም። [ኣብ ውግእ ቡኩረ] ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሓጊዞምና እዮም። ኣነ ኣብ ልዕሊ ሽዱሽተ ኣንጻር ኣልሸባብ ውግኣት ተሳቲፈ ኣለኹ፡ ሕጂ ድማ ክንዋጋእ ከም እንደሊ ምስ ረኣዩ ይጎዩ ኣለዉ\" ይብል ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ላዕለዋይ መኮንን ክፍለ ሰራዊት ዳናብ። ብዛዕባ እቲ ኣንጻር እቶም ዕጡቓት ዝተኻየደ ሰፊሕ ናዕቢ ክዛረብ ከሎ ግን ዝያዳ ጥንቁቕ እዩ ነይሩ፡ \"ኣብ መንጎ ዓሌታት\" ዝያዳ ዕግርግር ክፈጥር ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታ ነይርዎ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/clj349rp1ngo"} {"headline":"ፖሊስ ዓባይ ብሪጣንያ “ብጌጋ ቀቲለዮ” ናይ ዝበሎ ሶማልያዊ ቤተሰብ ይቕረታ ሓቲቱ","content":"ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብገበን ቅትለት ተኸሲሱ ብጌጋ ፍርዱ ዝተቐበለ ሶማልያዊ ኣቦ፡ ምስ ተቐተለ ድሕሪ 70 ዓመታት ፖሊስ ይቕረታ ሓቲቱ። ዜግነት ዓባይ ብሪጣንያን ሶማሊያን ዝነበሮ መሓሙድ ማታን ዝተብሃለ ውልቀ ሰብ፡ ኣብ ካርዲፍ ድኳን ንዝነበራ ሊሊ ቮልፖርት ቀቲልካ ብዝብል ክሲ ኣብ 1952 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን ብስቕለት ተቐቲሉ። እቲ ውልቀ ሰብ ሰራሕተኛ ሓይሊ ባሕሪ ከምዝነበረ’ውን ድሕረ ባይትኡ የመላኽት። እቲ ገበነኛ ከም ዝኾነ ዝተወሰነ ብይን ኣብ 1988 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን ይግባይ ናብ ዝሰምዕ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ኮይኑ፡ ኮምሽን ገምጋሚ ጉዳያት ገበን ነቲ ውሳነ ስዒርዎ። ፖሊስ ደቡብ ዌልስ መስርሕ ፍርዲ እቲ ግዳይ ጌጋ ከምዝነበሮ ኣሚኑ ይቕረታ ሓቲቱ። “እዚ ከይዲ ፍርዲ ምስ እቲ ናይ ሽዑ ግዘ ዝኸይድ’ዩ። ዓሌታዉነት፣ መድልዎን ዕሙት ጽልእን ኣብ ስርዓተ ፍትሒ ገበንን መላእ ሕብረተሰብን ተስፋሕፊሑ ነይሩ” ክብል ሓላፊ ፖሊስ ጄረሚ ቮን ተዛሪቡ። “መሓሙድ ማታን ብሰንኪ ግጉይ ክሲ ግዳይ ስእነት ፍትሒ ከም ዝነበረ ዘጠራጥር የብሉን፣ ፖሊስ ድማ ናይዚ መስርሕ ሓደ ኣካል’ዩ” ኢሉ። እቲ ሓላፊ ፖሊስ ኣስዒቡ “ ቅድሚ 70 ዓመታት ኣብቲ ውልቀሰብ ብዝተፈጸመ ኣስካሕካሒ በደል ምኽንያት ንዝተጎድኡን ንዝተሳቐዩን ስድራቤቱ፡ ፖሊስ ወኪልና ይቕረታ ምሕታትና ልክዕ’ዩ” ክብል ኣብራህሪሁ። በዓልቲ ቤት መሓሙድ ማታን ምስ ላዉራ ምስ ሰለስተ ደቃ ዴቪድ፣ ኦማርን ኤዲን ሽሙ ካብቲ ተኸሲስሉ ዝነበረ ገበን ቅትለን ናጻ ንኽበሃል ንኣስታት 46 ዓመታት ቃልሲ ኣካይዶም። ኩሎም ስድራቤቱ ዝሞቱ ኮይኖም፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ፖሊስ ይቕረታ ምሕታቱ ኣመልኪታ ርእይቶ ዝሃበት ካብቶም 6 ደቂ ደቁ ሓንቲ ዝኾነት ታንያ ማታን “ቅንዕና ዝጎደሎ” ክትብል ጸዊዓቶ። “ብሰንኪ እዚ መስርሕ ፍርዲ ብቐጥታ ዝተጎድኡ ሰባት ምሳና ብዘይምህላዎም ዝደንጎየ ይቕሬታ’ዩ። ብህይወት ስለዘየለዉ ካብዚ ዓመት ንድሓር ክንሓዝን ኢና ዝብል ቃል ሰሚዕና” ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4neznklpkjo"} {"headline":"ሞ-ፋራሕ፡ ሓቀኛ መንነቱ ኣግሂዱ","content":"ወዲ ትሽዓተ ዓመት እንከሎ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝኣተወ ሰር፡ ሞ-ፋራሕ፡ ብቝልዕነቱ ሰራሕተኛ ገዛ ኰይኑ ክሰርሕ ከም ዝእተገደደ ሓቢሩ። እቲ ኰኾብ ኦሎምፒክ፡ በቶም ካብ ጅቡቲ ሒዞምዎ ንብሪጣንያ ዝኣተው ሰባት መሓመድ ፋራሕ ዝብል ስም ከም ዝተዋህቦ ሓቀኛ ስሙ ግን ሑሴን ዓብዲ ካሂን ምዃኑ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ወዲ ትሽዓተ ዓመት እንከሎ ምስ ሓንቲ ቅድሚኡ ርእይዋ ዘይፈልጥ ሰበይቲ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ጂቡቲ ንዓዲ እንግሊዝ ምስ ኣተወ ንደቂ ካልእ ስድራ ቤት ቈልዑ ክከናኸን ከም ዝተገደደ ተዛሪቡ። እቲ ስሙይ ኣትሌት ብሪጣኒያ \"[ነቲ ምስጢር] ንሓያሎ ዓመታት እየ ሒዘዮ ጸኒሐ” ብማለት ሕጂ ነቲ ሓቀኛ ስሙ ገሊጹ። ሞ-ፋራሕ፡ ቅድሚ ሕጂ ካብ ሶማል ምስ ወለዱ ከም ስደተኛ ናብ ዓዲ-እንግሊዝ ከም ዝመጽአ እዩ ተዛሪቡ ነይሩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ግን ብቢቢሲን ሬድ ቡር ስቱድዮን ተዳልዩ ጽባሕ ረቡዕ ዝፍኖ ሰነዳዊ ምድላው [ዶክመንታሪ] ኣደኡን ክልተ ኣሕዋቱን ኣብታ ንርእሳ ናጻ ሃገር ኢላ እትጽውዕ ሶማሊላንድ  ኣብ ገጠር ብሕርሻ ከም ዝነባበሩ ተዛሪቡ። ወላዲኡ ኣቶ ኣብዲ፡ ሰር ሞ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት እንከሎ፡ ኣብ ሶማልያ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ሓድሕድ ብጥይት ተቐቲሉ። ሶማሊላንድ ኣብ 1991 ናጽነታ'ኳ እንተኣወጀት ክሳብ ሕጂ ብማሕበረሰብ ዓለም ተቐባልነት ኣይረኸበትን። ሰር-ሞ፡ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ምስ ኰነ ኣብ ጂቡቲ ምስ ሓንቲ ስድራ ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ፡ ምስ ሓንቲ ዘይፈልጣን ዘይትዛመዶን ሰበይቲ ናብ ዓዲ-እንግሊዝ ኣትዩ። እታ ሰበይቲ ምስ ኣዝማዱ ንኽነብር ናብ ኤውሮጳ ትወስዶ ምንባራ ምስ ገለጸትሉ ቅድሚኡ ብነፋሪት ተጓዒዙ ስለ ዘይፈልጥ ኣዝዩ ባህ ከም ዝበሎ ሓቢሩ። እታ ሰበይቲ፡ 'መሓመድ' ተባሂሉ ከም ዝጽዋዕን ኣብ ጥቓ እቲ ስእሉ እተጠቅዖ ሰነድ ከኣ \"መሓመድ ፋራሕ\" ዝብል ስም ከም ዘሎን ነገረቶ። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ኣተው ከኣ ናብቲ ኣብ ሃንስሎው ዝተባህለ ኣብ ምዕራብ ለንደን ዝርከብ ገዛኣ ወሲዳ ነቲ ናይ ኣዝማዱ ዝርዝር ሓበሬታ ዝሓዘ  ሰነድ ኣውጺኣ ኣብ ቅድሚኡ ቀዲዳ ኣብ እንዳ ጓሓፍ ከም ዘእተወቶን ተዛሪቡ። ሽዑኡ ፋራሕ፡ “ኣብ ሓደጋ ከም ዝኣተኹ ተረዲኡኒ” ይብል። ሰር ሞ ኵነታት ቍልዕነት ከዘንቱ እንከሎ፡ እታ ሰበይቲ \"እኽሊ ክለክፍ እንተደልየ፡ ናይ ገዛ ዕዮ ክዓይን ቈልዑ ክሕዝን ትነግረኒ ነይራ። ንስድራ ቤትካ ዳግማይ ክትርእዮም እንተደሊኻ ዋላ ሓንቲ ቃል ከይተምሉቕ\" ትብለኒ ነይራ ኢሉ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ መሕጸቢ ሰብነት ኣትዩ ተዓጽዩ ይበኪ ከም ዝነበረ ይዛረብ። ኣብተን ቀዳሞት ሒደት ዓመታት፡ እታ ስድራ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸይድ ኣይፈቐደትሉን። ዳሕራይ ወዲ 12 ዓመት ምስ ኰነ ግን ኣብ ፈልተም ኮሚዩኒቲ ኮሌጅ ተመዝጊቡ። እቶም መማህራን ከኣ ሶማላዊ ስደተኛ ምዃኑ ተነግሮም። ሳራ ሬኒ ዝስማ ናይ ቀደም መምህሩ፡ ሞ - ፋራሕ፡ ብዙሕ ግዜ ንትምህርቲ ወዘልዘል ኢሉ ይመጽእ ምንባሩን፡ ሕጽረት ቋንቋ እንግሊዝ ስለዝነበሮ “ብባህልን ልምድን” [እተጸቕጠ] ዘይዛረብ ስቕ በሃላይ ቈልዓ ከም ዝነበረ፡ እቶም ወለዱ ኢና ዝብሉ ሰባት ከኣ  ኣብ ዝኾነ ኣኼባታት ወለዲ ተሳቲፎም ከም ዘይፈጡ ንቢቢሲ ሓቢራ። መምህር ኣትሌቲክስ ፋራሕ፡ ኣለን ዋትኪንሰን፡ እቲ ቘልዓ ኣብ ጉያ ንፉዕ ምዃኑ ኣስተብሂሉ። \"ሞ ፋራሕ ዝርድኦ ሓደ ቋንቋ፡ ቋንቋ  ስፖርት ጥራይ እዩ ነይሩ\" ኢሉ ። ሰር ሞ፡ ስፖርት ከም መድሕን ህይወት ገይሩ እዩ ዝርእዮ ነይሩ። \"ካብዚ [ህያው ኵነታት] ንምርሓቕ፡ እቲ እንኮ ክገብሮ ዝኽእል ነገር፡ ምጉያይ ጥራይ እዩ ነይሩ\" ኢሉ። ኣብ መወዳእታ፡ ብዛዕባ ሓቀኛ መንነቱን ብዛዕባ ኣተዓባብያኡን ብዛዕባ እቶም ብግዲ ንኽዓዩ ዘገድዱዎ ዝነበሩ ስድራ ቤት ምስ ናይ ስፖርት መምህሩ ዋትኪንሰን ተዘራሪቡሉ። ብድሕሪ'ዚ ናይ ስፖርት መምህሩ ንክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዓባይ ብሪጣንያ ብምሕባር፡ ሞ-ፋራሕ ምስ ካልእ ሶማላዊት ስድራ ከም ዝነብር ተገብረ። \"ሽዑ እውን እንተኰነ፡ ነቶም ናይ ሓቂ ስድራ ቤተይ እናፍቘም ነይረ፣ ግን ካብታ ህሞት እቲኣ ንደሓር ኵሉ ነገር ተመሓይሹ ‘ዩ” ይብል። “እቲ ነገር ምስ ተገልጸ ካብ ዝባነይ ብዙሕ ሰከም ዝተላዕለለይ ኰይኑ ተሰምዓኒ፤ ሽዑ ከኣ እቲ ናይ ሓቂ ሞ ክደምቕ ጀሚሩ” ኢሉ። ሰር ሞ ወዲ 14 ዓመት ምስ ኰነ ንእንግሊዝ ወኪሉ ኣብ ላቲቭያ ኣብ ዝግበር ውድድር ኣብያተ-ትምህርቲ ክሳተፍ ዕድመ ቐረበሉ፤ እንተዀነ ሰነዳት ጕዕዞ ኣይነበሮን። ሚስተር ዋትኪንሰን ኣብ ሓምለ 2000 ነቲ ዳሕራይ መጸውዒኡ ዝዀነ መሓመድ ፋራሕ ብዝብል ስም ዜግነት ብሪጣንያ ንኽሓትት ተሓጋጊዝዎ። ኣብቲ ሰነዳዊ ጽሑፍ፡ [ኣብ ቤት ፍርዲ ዝማጎት ጠበቓኡ] ባሪስተር ኣላን ብሪዶክ ንሰር - ሞ፡ ዜግነቱ ብቴክኒካዊ መገዲ \"ብምጥፍፋእ ወይ ብጌጋ ብምቕራብ\" ክሰናኸል ከም ዝኽእል ሓቢርዎ። ሓደ ሰብ እንተደኣ ብናይ ሓሶት ዛንታን ሽምን፡ ብምድንጋር፡ ዜግነት ብሪጣንያ ሒዙ መንግስቲ እታ ሃገር ነቲ ዜግነት ብሕጋዊ መገዲ ብቐጥታ’ዩ ዝስርዞ። ይዅን እምበር፡ ሚስተር ብሪዶክ ኣብ ጉዳይ ሞ-ፋራሕ እቲ ሓደጋ ትሑት ምዃኑ ይገልጽ ። \"ብመሰረቱ፡ ትርጕም ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት “ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ሰባት ምምዝማዝ” ተባሂሉ ከም ዝግለጽን ኣብ ጉዳይ ሞ ብዙሕ ዘሻቕል ነገር ከም ዘየለን ንሰር ሞ ገሊጹሉ። \"ንባዕልኻ ቘልዓ ክንስኻ ንቘልዑ ክትከናኸንን ክትሕሉን፡ ኣገልጋሊ ቤት ክትከውንን ከም ዝተገደድካ፡ እቲ እትጽወዓሉ ዘለኻ ስም ስምካ ከም ዘይኮነ፡ ንዝምልከቶም ሰብ መዚ እንተነጊርካዮም ንዜግነትካ ናይ ምስራዝ ሓደጋ ክንክዮ ይኽእል እዩ\" ክብል ሓቢርዎ ። ሰር-ሞ፡ ብዛዕባ ንግዲ ደቂ ሰባትን ባርነትን ንዘሎ ፍልልይ ንምግላጽ ዛንታኡ ክነግር ከም ዝደሊ ይገልጽ። \"ሽዑ ከማይ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ሰባት ከም ዘለዉ ኣይፈልጥን ነይረ። ኣነ ግን ዕድለኛ ምዃነይ ጥራይ እየ ዝርዳእ\" ይብል። እቲ ብሓቂ ዘድሓነንን ካብ ካልኦት ዝተፈለኹ ዝገበረንን ኣትሌቲክስ - ጉያ እዩ\" ኢሉ ። ቢቢሲ ነታ ንሰር ሞ ናብ ሎንደን ዘምጽኣቶ ሰበይቲ ከዘራርባ'ኳ እንተፈተነ ንሳ ግን  ምላሽ ኣይሃበትን። ንሰነዳዊ ምድላው ዛንታ ሰር ሞ ፈራሕ ክትከታተሉ እትደልዩ፡ ረቡዕ 13 ሓምለ ሰዓት ትሽዓተ ምሸት (ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ጥራይ) “ እቲ ናይ ብሓቂ ሞ ፋራሕ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ቢቢሲ ኣይ ፕለየርን ቢቢሲ ዋንን ክትከታተሉ ትኽእሉ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cq58v4zx945o"} {"headline":"ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ኣብ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ተባሂሉ","content":"ዕጡቓት እስላማዊ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ኣብ ክልል ሶማል ኢትዮጵያ ብምእታው መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙን 17 ኣባላት ፖሊስ ከምዝቐተሉን ተሓቢሩ። ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ኣስታት 16 ወተሃደራውያን መካይን ዝተጻዕኑ ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ናብ ክልል ሶማል ኢትዮጵያ 70 ኪሎሜትሮ ጥሒሶም ኣትዮም። እቶም ዕጡቓት ኣብዚ ሰዓት ኣብ ገጠራት ወረዳ ሃርገሌ ከምዘለዉ፡ ሓደ ምስክር ዓይኒ ንቢቢሲ ቋንቋ ሶማል ተዛሪቡ፡። እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ ነባራይ ወረዳ ሃርገሌ፡ ነቲ ፍጻመ እንተረድእ፡ “ናብ ጫፍ ከተማና መጺኦም፤ ሽዑ ናይ መካይኖም መብራህቲ ኣጥፊኦም ንሰዓታት ጸኒሖም፣ ድሕሪኡ ናብታ ከተማ ኣትዮም።  ብዙሓት ዕጡቓት ዝጸዓና 16 መካይንን ክልተ ሞተርሳይክላትን ናብታ ከተማ ኣትየን። ናብ ካልእ ከተማ ድማ ቀጺሎም” ኢሉ። ንሱ ወሲኹ፡ ኣብ መውጽኢ እታ ከተማ ንሰዓታት ጸኒሖም ምንባሮም እንተዀነ እንታይ ከምዝገበሩ ከምዘይፈልጥ ተዛሪቡ። “ድሕሪኡ ኣብ ወረዳ ሃርገሌ ኣብ መንጎ ኣንኮን ኣፍካዴን ናብ እትርከብ ጋርቦ ሃመር ዝተብሃለት ዓዲ ቀጺሎም። ንቁሸታት ቢዮካድ፣ ላበይለ፣ ባሊ ካደን ሓሊፎም ክሳብ ኣፍካደ በጺሖም። ናብተን ከተማታት እንትኣትዉ ህዝቢ ፈሪሑ ነይሩ፤ እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ዝገበርዎ ነገር የለን\"። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንሓደ ወታሃደራዊ ኣዛዚ ኢትዮጵያ ጠቒሱ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ እቶም እስላማውያን ዕጡቓት፡ ምስ ሶማልያ ኣብ ዘዋስና ክልተ ዓድታት እቲ ክልል ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፡ 17 ኣባላት ፖሊስ ኢትዮጵያ ከምዝቐተሉን ካብቲ ጉጅለ ድማ 63 ከምዝሞቱን ጠቒሱ። ጉጅለ ኣል-ሸባብ ምስ ጂሃዳዊ ጉጅለ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ከምዘለዎ ይንገር። ወሃቢቃል ኣል-ሸባብ ዓብዲኣሲስ ኣቡ ሙሳብ ብወገኑ፡ እቶም ዕጡቓት ንክልተ ቁሸታት ተቖጻጺሮም ከምዝነበሩን ንብዙሓት ኣባላት ፖሊስ ኢትዮጵያ ብምቕታል ሓያሎ ኣጽዋር ከምዝመንዝዑን ንሮይተርስ ገሊጹ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1dx92pn7po"} {"headline":"ሶማልያን ኣልሸባብን፡ ዕጡቓት ንምስዓር ዝግበር ቃልሲ","content":"ሓድሽ መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ዘሳለጦ ምሃብ መዝነት፡ ሓደ እዋን ኣንጻር ሰበስልጣን ዝዋግእ ዝነበረ ዕጡቕ ኣልሸባብ ነበር ኣብቲ ካቢነ ሚኒስተራት ዘካተተ ኰይኑ፡ እቲ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ሞት ዘስዓበ ክባ ሆቴላት ግን ነቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ከቢድ ዕማም ዘሰከመ መዘኻኸሪ ኰይኑ’ሎ። ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ወርሒ ግንቦት ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ን15 ዓመታት ዝጸንሐ እስላማዊ ናዕቢ መዕለቢ ምግባር ቀዳምነት ዝህቦ ጉዳይ ከም ዝዀነ ኣዊጁ ነይሩ። ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ከኣ ኣልሸባብ ካብቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቓዲሾ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ፕረዚደንት ብሓጺር ርሕቐት ዝርከብ ሆቴል መጥቃዕቲ ፈጺሙ። ነቲ ሓያት ብዝብል ስም ዝፍለጥ ሆቴል ን30 ሰዓታት ዝተቖፃፀርዎ ኰይኖም ኣብ እዋን እቲ ክባ ድማ ልዕሊ 20 ሰባት ከም ዝሞቱን 117 ከም ዝቖሰሉን ሰበስልጣን እታ ሃገር ሓቢሮም። ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ተራእዩ ዘይፈልጥ ወራር ኣካይዱ ምንባሩ ይዝከር። ዓለምለኻውያን ዲፕሎማሰኛታት፡ ነቲ ​​ንምውጣን ጥራሕ ብውሑዱ 18 ኣዋርሕ ዝወሰደን ብገምጋም 1200 ዕጡቓት ዘሳተፈን ዝተሓላለኸን ዝተዋደደን መጥቃዕቲ \"ቀያሪ ፀዋታ\" ክብሉ ይገልጹዎ። ኣብቲ እዋን ኣዛዚ እዚ ኣሜሪካ ኣፍሪቃ [US Africa Command] ዝነበረ ጀነራል ስቲቨን ታውንሰንድ፡ እቶም ዕጡቓት ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ 150 ኪሎ ሜትር ጥሒሶም ከም ዝኣተዉ ይዛረብ። እቲ ጉጅለ ነዚ ድፍረት ዝመልኦ መጥቃዕቲ ከካይድ ዝኸኣለሉ ሓደ ምኽንያት፡ ኣብታ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሓፈሻዊ ምርግጋእን ዕብየትን ዝፀንሐት ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ግጭት እናወሰኸ ምምጽኡ እዩ። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሜሪ ሃርፐር፡ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ኲናት ሓድሕድ ምስ ተወለዐ ነዊሕ ከይጸንሐ ሓደ ኣባል ኣልሸባብ ደዊሉለይ ትብል። \"ሓይልና ኣስጊርና ብምእታው ኢትዮጵያ ንርእሳ ከተጥፍእ ከላ ዘርእይ ትርኢት ጥራይ ኢና ነስተማቕር ዘለና\" ክብል ታሕጓሱ ገሊፁ። ኣስዒቡ ድማ \"ኣብ መወዳእታ ነቲ ቀዳማይ ጸላኢና [መንግስቲ ኢትዮጵያ] እነጥቅዓሉ ግዜ ይቐርብ ኣሎ\" ኢሉ ክትብል ጽሒፋ። ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ኣብ ሶማልያ ነቲ መንግስቲ ዝድግፍ ሰራዊት ዘለወን ሃገራት እቲ ዞባ እያ። ፕረዚደንት ማሕሙድ ናብ ስልጣን ክመፅእ ንኻልኣይ ግዚኡ እዩ። ኣብ 2012 ቀዳማይ ስልጣኑ ምስ ሓዘ ኣብ ዝገበርኩሉ ቃለ መሕትት፡ ነቶም ዕጡቓት ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ክስዕሮም ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ። ግን ድማ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት እውን ገና ምስ ሓይሎም ይቕፅሉ ኣለዉ። ኣቦ መንበር ናይቲ ኣብ ሞቓድሾ ዝመደበሩ ትካል ድሕነት መሓመድ ሙባረክ፡ \"ካብቲ ኣብ 2012 ዝነበሩዎ ዝያዳ ሓያላትን ዝተራቐቑን\" ክብል ነቶም ዕጡቓት ይገልፆም። ኣልሸባብ ኣብ ሶማልያ ተመዓዳዳዊ ዝዀነ መንግስቲ ብምምስራት ሰፊሕ መሬት ተቖፃፂሩ ይርከብ። ኣብ ውሽጢ ዝቆጻጸሮምን ዘይቆፃፀሮምን ከባቢታት ንዘለዉ ሰባት ግብሪ ዘኽፍል ኰይኑ፡ ገለ ነበርቲ ሞቓድሾ ከይተረፉ ነቲ ካብ ወግዓዊ ኣብያተ ፍርዲ ዝያዳ ስሉጥን ዝተሓተ ብልሽውናን ዝረኣየሉ ዝብልዎ ስርዓተ ፍትሒ እቲ ጉጅለ ክጥቀሙ ይመርጹ። እቲ ጉጅለ ከም ድላዩ መጥቃዕቲ ይቕጽል ኣሎ። ናብ ባይቶ እታ ሃገርን ናብቲ ኤምባሲታት፣ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ወተሃደራት ወጻኢን ዝርከቡሉ ጥቡቕ ሓለዋ ዝግበረሉ መዓርፎ ነፈርትን ሞርታራት ይትኩስ። ኣልሸባብ እቲ ዝዓበየ ዕዉት ተሓባባሪ ኣልቃዒዳ ተባሂሉ ክግለጽ ምጽንሑ ዘገርም ኣይኰነን። ፕረዚደንት ማሕሙድ፡ ኣልሸባብ ብሓይሊ ጨፍሊቕካ ጥራይ ክስዓር ከምዘይክእል ይኣምን። መንግስቲ ነቲ ግጭት መዕለቢ ንምሃብ ዝዓለመ ሓድሽ ስትራተጂ ብምውጣን ብ2 ነሓሰ ንሓደ ካብቶም ቀንዲ ጸላእቱ ዝነበሩ ናይ ምምጻእ ከቢድ ቁማር ተፃዊቱ። ኣብቲ እዋን ምስቶም ኣብ ሞቓዲሹ ፅርግያ ዝተዓፀዎም ኣዕሩኽተይ ኣብ ውሽጢ መኪና እየ ነይረ። ንሓንሳብ ካብ መኪና ክንወጽእ ትእዛዝ ተዋሂብና፡ ኣብ ኣካላትና፣ ተሽከርከርትን ሳንጣታትን ብደቂቕ ፈተሻ ክካየድ ከሎ ምልክት ምስልቻው ዝገልፅ ሰብ ኣይነበረን። ኣፈኛ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓድሽ ካቢነ ሚኒስተራት ከፍልጥ ከሎ ኣብታ እንኮ ዝረኸብናያ ንእሽቶ ጽላሎት ኮይንና እናተጸበና፡ ኣዒንትና ኣብ ሞባይላትና ኣፍጢጥና ነበርና። እቲ ንጽበዮ ዝነበርና ስም ከኣ ናይ ሓደ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝሰልጠነ መስራቲ ኣባል ኣልሸባብ እዩ ነይሩ። እቲ ዝስማዕ ዝነበረ ወረ ሓቂ ኮይኑ ተረኺቡ። ምክትል መራሕን ኣፈኛን ኣልሸባብ ዝነበረ ሙክታር ሮቦው ሚኒስተር ጉዳያት ሃይማኖት ኰይኑ ተሸይሙ። ገሊኦም በቲ ስጉምቲ ክስንብዱ እንከለዉ፡ ብዙሓት ሶማላውያን ድማ ሓደ ብኣመሪካ ኣብ ዝርዝር ኣዝዮም ተደለይቲ ኣሸበርቲ ዝነበረን ንዝሓዞ ወይ ዝቐተሎ 5 ሚልዮን ዶላር  ህያብ መብፅዓ ዝተኣተወሉን ሰብኣይ ናብ መሓውር ስልጣን መንግስቲ ምእታዉ ብውዕዉዕ ስምዒት ተቐቢሎምዎ ኣለዉ። እቲ ካብ ሓሙሽተ መጥቃዕቲ ኣልሸባብ ዝተረፈ ኣባል ባይቶን ጋዜጠኛ ቢቢሲ ነበርን ሞኣሊሙ መሓመድ እውን ኣብቲ ካቢኔ ተኻቲቱ’ሎ። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ካብ ዝተፈጸመ ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ተሪፉ ብሕክምና ክተርፍ ከምዝኸኣለ ይፍለጥ። ሞኣሊሙ መሓመድ  \"ሽመት ሚስተር ሮቦው ብሓጎስ እየ ዝቕበሎ\" ይብል። \"ከም መጠን ሓደ ጂሃዳዊ መራሒ ነበር ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ኣልሸባብ ብዙሕ ኣበርክቶ ክህልዎ'ዩ። ምስ ማሕበረሰብ ሃይማኖት ብምትሕብባር ንስነ-ሓሳብ ኣኽረርቲ ክቃለስን ነቶም ዕጡቓት እምነቶም ሓቀኛ መንገዲ እስልምና ከምዘይክተል ከእምኖምን ይኽእል'ዩ\" ክብል የረድእ። ሮቦው ኣብ 2013 ነይሩ ምስ ኣልሸባብ ናብ ዘይምቅዳው ዝኣተወ። ንሱ ነቲ ጉጅለ ብግልጺ ዘውገዘ ኮይኑ፡ ዋላ’ውን ኣብ ጥቅምቲ 2017 ኣብ ሞቓዲሾ ኣብ ዓቢ ናይ ጽዕነት መኪና ብዝተፃወደ ቦምባ መጥቃዕቲ ምስተፈጸመ ደም ለጊሱ ነይሩ። በቲ መጥቃዕቲ ኣስታት 600 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ይግለፅ። ኣብ ታሕሳስ 2018 ኣብ ቀይዲ ምስ ኣተወ ክሳብ ሚኒስተር መንግስቲ ኮይኑ ዝምዘዝ ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ፀኒሑ። ኣብ ማእሰርቲ እንከሎ ስልኪ ከም ዝተደወሎ ድማ ሓቢሩ። እቲ ክኢላ ጸጥታ ዝዀነ ሙባረክ፡ ሽመት ሚስተር ሮቦው \"ብመንፅር ጸረ-ሽበራዊ ኣካይዳ ክረኣይ ከሎ ብሉጽ ሓሳብ እዩ\" ክብል ይገልፅ። \"ንሱ ወሳኒ መሳርሒ'ዩ። ብፍላይ ብመንጽር ስነ-ሓሳብ፡ ኣንጻር ኣልሸባብ ሓያል ሰረተ-እምነታዊ ፀቕጢ ክፈጥር ዓቕሚ ኣለዎ። ከም መስራቲ ኣባል ናይቲ ጉጅለ ብውሽጢን ብደገ እዩ ዝፈልጦም። ከመይ ከም ዝሓስቡን ብኸመይ ከም ዝሰርሑን ይፈልጥ'ዩ\" ይብል። ካልኦት ድማ ንሽመት ሮቦ ብጭንቀት ምላሽ ዝሃቡ ኮይኖም ኣብቲ ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ግጭት ሶማልያ ካብ መቕጻዕቲ ወይ ተሓታትነት ነፃ ናይ ምዃን ካልእ ተርእዮ ከምዝኾነ ይወስድዎ። ማሕበራዊ መራኸቢታት ብነቐፌታ ኣዕለቕሊቑ ኣሎ። ኣብ ትዊተር ካብ ዝተዋህበ ርእይቶታት እቲ ዝበዝሕ ፅልኣት ዝገልፅ ነይሩ። ገሊኦም፡ \"ሶማልያውያን ንቑሓት እንተዝኾኑ ነይሮም ሮቦው ብዕሊ ምተቐትለ ነይሩ\" \"ምሻም ናይዚ ርህራሀ ዘይብሉን ጨካን ቀታሊን ሓደ ነገር ጥራይ ዘመልክት እዩ። ንሱ ድማ ኣልሸባብ ብወግዒ ናብ መሓውር መንግስቲ ሶማልያ ሰሊዅ ኣትዩ'ሎ ማለት እዩ\" ኣልሸባብ፡ ምክትል መራሒኡ ነበር ናይ መንግስቲ ስራሕ ምቕባሉ ናይ መወዳእታ መቕጻዕቲ ዝግብኦ ጽዩፍ ገበን ምዃኑ ይኣምን። ወሃቢ ቃል እቲ ጉጅለ ዓሊ ድሂረ ኣብቲ ናይ 10 ደቓይቕ ዝተቐድሐ መግለጺ \"ሮቦው ከሓዲ እዩ። ደሙ ምፍሳስ ይፍቀድ እዩ\" ኢሉ። ፕረዚደንት ማሕሙድ፡ ሽመት ሮቦም ምስቲ ዝተሓደሰ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ተደሚሩ፡ ንኣል-ሸባብ ብእኹል መልክዑ ከዳኽሞን ናብ ዝርርብ ክመፅእ ዘገድዶን ምዃኑ ይኣምን። ኣቦ መንበር ናይቲ ኣብ ሞቓድሾ ዝመደበሩ ትካል ፀጥታ መሓመድ ሙባረክ \"ኩሉ ኣብ ፖለቲካዊ ድሌት እዩ ዝምርኮስ\" ይብል። \"ውድቀት ኣልሸባብ ዝመጽእ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ናይ ወጻኢ ሓይልታትን፤ ፌደራላውን ክልላውን ሰራዊት፤ ከምኡ'ውን ናይ ውሽጢ ሃገር ሚሊሻታት ኩሎም ክተሓባበሩ ከለዉ ጥራይ'ዩ። ሽዑ ጥራይ'ዮም ክደራደሩን ስምምዕ ክገብሩን\" ክብል እውን ወሲኹ ይገልፅ። ዕጡቕ ዝነበረ ሚኒስተር ሮቦው ኣብዚ እዋን ብዛዕባ ሰላምን ይቕረታን ኣብ ምዝራብ ይርከብ። ምስ እስላማውያን ሊቃውንቲ ብምትሕብባር ሰባት ዝፍጽምዎ ዘለዉ ተግባር ዘይእስላማዊ ምዃኑ ብምእማን ካብ ኣልሸባብ ክወጹኡ ንምግባር ከምዝሰርሕ እውን ይዛረብ። እቲ መንግስቲ ዝገብሮ ጠላዕ ፍረ ክህልዎ ድዩ ወይስ ኣልሸባብ ካብቲ ቅድሚ ሎሚ ዝነበሮ ዓቕሙ ኣደልዲሉ ክቃለስ ክፍትን ዝብል ግን ንጹር ኣይኰነን። ኣብ ቀረባ እዋን ዝተረኣዩ ፍጻመታት ዘመልክትዎ ግን ነቲ ዳሕረዋይ እዩ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cldedk099glo"} {"headline":"ኣሜሪካ ኣብ ሶማልያ መጥቃዕቲ ኣየር ፈጺማ","content":"ኣሜሪካ ኣብ ሶማልያ ኣንፃር እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ዝቐንዐ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝፈጸመት ተገሊፁ። ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ዞባ ማእከላይ ሂራን ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ዕጡቓት ኣልሸባብ ዘነፃፀረ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝፈጸመ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ፀብፂበን። እቲ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ካብ መንግስቲ ሶማልያ ንዝቐረበ ጠለብ ስዒቡ ከምዝተፈፀመ ተሓቢሩ'ሎ። ወተሃደራዊ እዚ ኣሜሪካ-ኣፍሪቃ ግን ነቲ ተፈፂሙ ዝብሃል ዘሎ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ዛጊት ዝሃቦ ርእይቶ የለን። ሰበስልጣን ኣሜሪካ ከምዝሕብርዎ በቲ ኣብ ወርሒ ሰነን ሓምለን ዝተፈፀመ ክልተ ደብዳብ ነፈርቲ፡ 7 ጅሃዳውያን ዕጡቓት እቲ ጉጅለ ተቐቲሎም ኣለዉ። ብ15 ግንቦት 2022፡ ኣባላት ባይቶ ሶማልያ ኣብ ዘካየድዎ ምርጫ፡ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ድሕሪ ምዕዋቱ፡ ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ኣል-ሸባብ ንምጥቃዕ ዝዓለመ ስርሒታት ንምድጋፍ፡ ኣስታት 600 ወተሃደራታ ናብ ሶማልያ ክትልኽ ምዃና ኣፍሊጣ ነይራ። መበል 10ይ ፕረዚደንት ሶማልያ ኰይኑ ዝተመርጸ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ድማ፡ ነቲ ድሕሪ ምምራጹ ብቕጽበት ብኣሜሪካ ዝተወስደ ውሳነ ዳግመ-ምውፋር ወተሃደራት፡ ብሓጐስ ከም ዝቕበሎ ምግላፁ ይዝከር። ኣልሸባብ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት መንግስቲ ዝፍፅሞ መጥቃዕቲ እናወሰኸ ካብ ምምፅኡ ብተወሳኺ ናብ ኢትዮጵያ ብምእታው ስግረዶብ መጥቃዕቲ ኣካይዱ እዩ። ቅድሚ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ናይ ምፍጻም ታሪኽ ዘይነበሮ ኣልሸባብ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዶብ ሰጊሩ ብምእታው ምስ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማል ውግእ ከምዝኸፈተ ይንገር። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተኸፈተሉ 13 ሓምለ 2014 [ኣ.ግ] ​​ምስ ኣልቃዒዳ ርክብ ከምዘለዎ ዝዝረበሉ ኣልሸባብ፡ ሓያሎ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማል ከምዝቐተለ ገሊጹ ነይሩ። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማል፡ ሙስጠፋ ዑመር ግና ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ብዝርከቡ ከባቢታት ዶብ ኣቢሎም ናብታ (ኢትዮጲያ) ካብ ዝኣተዉ ዕጡቓት ኣልሸባብ ልዕሊ 800 ከምዝተቐትሉ እዩ ኣፍሊጡ። ሙስጠፋ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ብዘይካ'ቶም ዝተቐትሉ ዕጡቓት ኣልሸባብ ካልኦት ኣስታት ሚእቲ ኣባላት እቲ ጕጅለ'ውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ሓቢሩ። ቢቢሲ፡ እቶም ዕጡቓት ከምዝተቐተሉን ከምዝተትሓዙን ካብ ዘይሻራዊ ኣካል ከረጋግጽ ኣይከኣለን። ብተወሳኺ ድማ ሓደ ካብ መራሕቲ ናይቲ ጉጅለ ዝነበረ ሙክታር ሮቦው፡ ሚኒስተር ሃይማኖታዊ ጉዳያት ሶማልያ ኮይኑ ተመዚዙ'ሎ። ንሱ፡ ኣብ ግዜ ስልጣን እቲ ዝወረደ ፕረዚደንት፡ ንጕጅለ ዕጡቓት ብምውዳብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣቱ ድሕሪ ምግባር፡ ንኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር'ዩ ጸኒሑ። ጥሩፍነት ኣይገደፈን ተባሂሉ’ውን ክኽሰስ እንከሎ፡ ንማእሰርቱ ስዒቡ ብሰንኪ ዝተወልዐ ዓመጽ ልዕሊ 20 ሰባት ሞይቶም'ዮም። ኣብዚ ቕነ ዝፀደቐሉ ሹመት፡ ነቲ ኣልሸባብ ዝኽተሎ ዘሎ ጥሩፍ ስነ-ሓሳብ ንምምካት ዝግበር ፈተነ ኮይኑ እዩ ዝረአ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ce5yrm0r8nvo"} {"headline":"ኢትዮጵያ ልዕሊ 800 ዕጡቓት ኣልሸባብ ከምዝተቐተሉ ኣፍሊጣ","content":"ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ብዝርከቡ ከባቢታት ዶብ ኣቢሎም ናብ ክልል ሶማል - ኢትዮጲያ - ካብ ዝኣተዉ ዕጡቓት ኣልሸባብ ልዕሊ 800 ከምዝተቐትሉ ፕረዚደንት እቲ ክልል ኣፍሊጡ። ቅድሚ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ናይ ምፍጻም ታሪኽ ዘይነበሮ ኣልሸባብ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዶብ ሰጊሩ ብምእታው ምስ ፍሉይ ሓይሊ ሶማል ኣብ ውግእ ተጸሚዱ ምህላዉ ይንገር። ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ሙስጠፋ ዑመር ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ብዘይካ'ቶም ዝተቐትሉ ዕጡቓት ኣልሸባብ ካልኦት ኣስታት ሚእቲ ኣባላት እቲ ጕጅለ'ውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ሓቢሩ። ቢቢሲ፡ እቶም ዕጡቓት ከምዝተቐተሉን ከምዝተትሓዙን ካብ ዘይሻራዊ ኣካል ከረጋግጽ ኣይከኣለን። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተኸፈተሉ 13 ሓምለ 2014 [ግእዝ] ​​ምስ ኣልቓዒዳ ርክብ ከምዘለዎ ዝዝረበሉ ኣልሸባብ፡ ሓያሎ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማል ከምዝቐተለ ገሊጹ ነይሩ። ኣልሸባብ ክልተ ጕጅለታት ዘሳተፈ ኰይኑ፡ ሓደ ጕጅለ ካብ ሶማል ዘሳግር፡ ካልእ ጕጅለ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ምንባሩ ይግለፅ። ካልኣይ ዙርያ መጥቃዕቲ ብሰኑይ 18 ሓምለ 2014 ተኻይዱ። ብኣንፈት ፊር ሸበሌ ሶማል ዝኽፈት ኰይኑ፡ ካብቲ ከባቢ ቀጺላ ፌር-ፌር ዝተበህለት ዶባዊት ከተማ ኢትዮጵያ ትርከብ። ኣብ ጥቓ ፌር-ፌር፡ ላስቁሩን እትበሃል ከተማ’ውን ውግእ ተኻይዱ። በዚ መሰረት፡ ብርቱዕ ኲናት ከም ዝተኻየደን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዙሓት ዕጡቓት ኣልሸባብ ከምዝተቐትሉ ዝተገልጸን ኣብታ ፌር-ፌር እትብሃል ቦታ’ዩ። ኣብቲ ከባቢ ኣብ መንጎ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማልን ኣባላት እቲ እስላማዊ ዕጡቕ ጕጅለን ውግእ ክካየድ ከምዝረኣዩ ነበርቲ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም። እቲ ሓሙሻይን ዝነኣሰን ውግእ ዘእንገደት ድማ ቤሪስማን ዝተብሃለት ኣብ ጥቓ ፌር ፌር እትርከብ ካልእ ቦታ ነይራ። ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማልን ሓባራዊ ስርሒት ከምዝጀመሩ ሰበስልጣን እቲ ክልል ኣፍሊጦም’ዮም። ኣብቲ ኣንፃር ናብ መሬት ኢትዮጵያ ኣትዮም ዝነበሩ ዕጡቓት ኣልሸባብ ዝተኻየደ ውግእ፡ ኣማኢት ዕጡቓት እቲ ጕጅለ ከምዝተቐትሉ፡ መካይን ከምዝዓነዋን ብዙሓት ኣጽዋር ከምዝተማረኹን ይዝረብ። ኢትዮጵያ፡ ነቲ መንግስቲ ኣሜሪካ ሃለዋቱ ንዝሕብር 5 ሚልዮን ዶላር ሽልማት ክኸፍል እየ ዝበለትሉ ሓላፊ ጎስጓስን ፕሮፖጋንዳን ኣልሸባብ ፉኣድ መሓመድ ካህላፍ ዝርከቦም ሰለስተ ላዕለዎት መራሕቲ ኣልሸባብ ከምዝቐተለት ከም ዝገለጸት ይዝከር። ኣልሸባብ ድማ እዞም መራሕቲ ኣይተቐትሉን ብምባል ምላሽ ሂቡ ነይሩ። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማል፡ ሙስጠፋ ንቤት ምኽሪ 'ቲ ክልል ሂብዎ ኣብ ዝነበረ መብርሂ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ክልል ካብ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ናይ መከላኸሊ ዞባ ንምህናጽ መደብ ከምዘለዋ ገሊጹ ነይሩ። ኣብቲ ብዓርቢ ዘስምዖ መደረ፡ እቲ ጕጅለ \"ናብ ዶብ ክቐርብ ፈጺሙ ከይደፍር\" ጻዕርታት ይግበር ከምዘሎ ገሊጹ። ​​ዝርዝሩ’ኳ እንተዘይተገልጸ፡ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ኢትዮጵያ ድሕሪ’ቲ መጥቃዕቲ ናብ ሶማልያ ብምብጻሕ ምስ ሰበ-ስልጣን 'ታ ሀገር ከምዝተዘራረቡ ተሓቢሩ’ሎ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cpdx7k9313eo"} {"headline":"ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ 22 ሚልዮን ሰባት ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልይዎም- ሕቡራት ሃገራት","content":"ገለ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ደቡባዊ ኬንያ ከምዚ ዝበለ ድርቂ ኣጓኒፍዎም ከምዘይፈልጥ ገሊጾም። ሕቡራት ሃገራት ብግዲኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣስታት 22 ሚልዮን ሰባት ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልይዎም ከምዝርከብ ኣፍሊጡ። እዚ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ቁጽሪ እንትነጻጸር ናይ ትሸዓተ ሚልዮን ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ። ንተኸታታሊ ኣርባዕተ ወቕቲ ዝናብ ብዘይምዝናቡ ምኽንያት ኣብ ኬንያ፣ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝርከቡ ኣስታት 22 ሚልዮን ሰባት ናብ ድርኩኺት ጥምየት ከምዘእተዎም ፕሮግራም መግቢ ዓለም ገሊጹ። ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ኣለሻ መግብን ማይን ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ተፈሊጡ’ሎ። ውድብ ጥዕና ዓለም ብወገኑ ኣብቲ ዞባ ኣስካሕኻሒ ዓጸቦ ቅድሚ ምኽሳቱ ማሕበረሰብ ዓለም ተግባራዊ ስራሕ ክዓምም ኣለዎ ኢሉ። ነቲ ስግኣት ንምቕንጣጥ ተባሂሉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ተሓቲቱ ዝነበረ መጠን ባጀት ብሰንኪ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ክሰምር ኣይከኣለን። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ንኣብ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዘሎ ስራሕቲ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝውዕል 30 ሽሕ ቶን ስርናይ ካብ ዩክረይን ከምዝዓደገን ቀጻሊ ሰሙን ኣብ ወደብ ጁቡቲ ከምዝበጽሕን ኣፍሊጡ። ኣብ ኢትዮጵያ ወሃቢት ቃል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ክለይር ነቪሌ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቲ ካብ ዩክረይን ዝተዓደገ ስርናይ ብሰንኪ ኵናትን ድርቅን ንሕጽረት መግቢ ንዝተሳጥሑ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ንምሕጋዝ ከምዘኽእሎ ተዛሪባ። እቲ ረድኤት ንኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ብሰንኪ ኵናት ንዝተሃሰዩ 3.4 ሚልዮን መግባዊ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ከምዝዕደል እታ ወሃቢት ቃል ወሲኻ ገሊጻ። ኣብ ክልል ምብራቓዊ ሶማል ብሰንኪ ብተኸታታሊ ዘቋረጸ ዝናብ ብድርቂ ንዝተሃሰዩ 2.4 ሚልዮን ሰባት ሓገዝ ክግበረሎም ትጽቢት ይግበር።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ce5yex83yevo"} {"headline":"መንግስታት ኤርትራን ሶማልያን መዘክር ሓባራዊ ስምምዕ ከምዝኸተሙ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ መዘክር ሓባራዊ ስምምዕ (memorandum of understanding) ከምዝከተሙ መርበብ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ሓቢራ። እቲ ምሕያል ጸጥታውን ናይ ምክልኻልን ምትሕብባር ዝብል ዝርከቦ፡ ሸውዓተ ነጥብታት ዘለዎ ሰነድ ሎሚ ሰሉስ 12 ሓምለ ኣብ ኣስመራ ከምዝተኸተመ እቲ ሓበሬታ የረድእ። ፕረዚደንት ሶማልያ ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ጀሚሩ ንኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ። ንሱ ብሰንበት፡ ኣብ ኤርትራ ንሰለስተ ዓመታት ወተሃደራዊ ስልጠና ክወስዱ ከም ዝጸንሑ ንዝተገለጸ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ሃገሩ ከምዘመረቐ ቴለቪዥን ኤርትራ ጸብጺባ ኔራ። ትማሊ ሰኑይ’ውን ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ተሰንዩ፡ ናብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ብምብጻሕ ናይ ሓይሊ ባሕሪ ስልጠና ዝወስዱ ዘለው ባሕረኛታት ሶማልያ ከም እተራኸበ ተገሊጹ። ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ጉዳይ ናብ ኤርትራ ተላኢዀም’ዮም ዝተባህሉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሶማልያውያን ወተሃደራት ሓያሎ ክትዓት ከልዕል ጸኒሑ እዩ። እዚ ብፍላይ ድሕሪ ምጅማር ኤርትራ ዝተሳተፈትሉ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ሶማልያ ኣብ ሞንጐ ፖለቲከኛታትን ስድራቤት ደሃዮም ዘይተፈልጠ ወተሃደራትን ከቢድ ወጥሪ ተላዒሉ ምንባሩ ይዝከር። ተቓወምቲ ፕረዚደንት ነበር መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፡ እቶም ወተሃደራት ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ብምልኣኽ ኣብ ኲናት ክሳተፉ ገይሩ ኢሎም ክነቕፍዎ ጸኒሖም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ድሕሪ ዝተኻየደ ምርጫ ካብ ስልጣን ዝወረደ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፡ ስልጣኑ ከረክብ እንከሎ ሓሙሽተ ሽሕ ወተሃደራት ሃገሩ ኣብ ኤርትራ ስልጠና ይወስዱ ከም ዘለው ምርግጋጹ ይዝከር። እተን ሃገራት ዝኸተማሉ ሰነድ ምርድዳእ፡ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕባረዊ፡ ባህላዊ፡ ከባብያዊ ከምኡ’ውን ምክልኻልን ጸጥታን ዘጠቓለ'ዩ፦","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyxnzw4elnyo"} {"headline":"ምኽትል መራሒ ኣልሸባብ ነበር ሙኽታር ኣባል ካቢነ ሚኒስትራት ሶማልያ ኰይኑ","content":"ምኽትል መራሒን ወሃቢ ቓልን እስላማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ኣል-ሸባብ ዝነበረ ሙኽታር ሮቦው ኣባል ካቢነ ሚኒስትራት ሶማልያ ብምዃን ተሸይሙ። ሮቦው ኣብ ሓድሽ ካቢነ ሚኒስተራት ሶማልያ ሚኒስተር ጉዳያት ሃይማኖት ኰይኑ እዩ ተመሪጹ ዘሎ። ንሱ፡ ኣብ ግዜ ስልጣን እቲ ዝወረደ ፕረዚደንት፡ ንጕጅለ ዕጡቓት ብምውዳብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣቱ ድሕሪ ምግባር፡ ንኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ'ዩ ጸኒሑ። ጥሩፍነት ኣይገደፈን ተባሂሉ’ውን ዝተኸሰሰ ኰይኑ፡ ንማእሰርቱ ስዒቡ ብሰንኪ ዝተወልዐ ዓመጽ ድማ ልዕሊ 20 ሰባት ሞይቶም። ኣብ 2015 ስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ ምኽንያት ብምግባር፡ ካብ ኣልሸባብ ተፈልዩ፤ ናይ ባዕሉ ዕጡቕ ጕጅለ'ውን ኣቚሙ ነይሩ። ኣብ ሓደ እዋን፡ ኣሜሪካ ንስም ሙኽታር ሮቦው ኣብ ዝርዝር ናይቶም ብግብረ ሽበራ ዝድለዩ ሰባት ኣስፊራቶ ምንባራ ይዝከር። ንዝሓዞ ኣካል 5 ሚልዮን ዶላር (4 ሚልዮን ፓውንድ) ክትህብ ቃል ኣትያ ዝነበረት ኣሜሪካ፡ ነዚ ውህብቶ ኣብ 2017 ሰሪዛቶ። ሎሚ ሚኒስተር ሃይማኖታዊ ጕዳያት ኰይኑ ምምዛዙ፡ ኣንጻር ኣልሸባብ ስነ-ሓሳባዊ ኲናት ከም ምእዋጅ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት። ካልኦት ግን ኣባል መሪሕነት ናይቲ ምስ ኣልቓዒዳ ርክብ ዘለዎ ጕጅለ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንዝፈጸሞም ገበናት ንምሽፍፋን ዝተወሰደ ስጕምቲ ከምዝኾነ ይኣምኑ። ነቲ ብደረጃ ዓለምለ ዝድገፍ ፌደራላዊ መንግስቲ ዝቃወም ኣልሸባብ፡ ኣብ ሶማል ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ኣብ ምፍጻም ይርከብ። ንኸም ኢትዮጵያ ዝበላ ጎረባብቲ ሃገራት'ውን ዒላማ ክገብር ይረኣይ ኣሎ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3gw4qv179eo"} {"headline":"ሶማልያ፡ ብዛዕባ'ቶም ኣብ ኤርትራ ዘለው ወተሃደራታ ዝበሃል 'ሓሶት'ዩ' ኢላ","content":"ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሶማልያ፡ ዓብደልከሪም ዓሊ ካር፡ ትማሊ 19 ሓምለ ብተሌቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝተፈነወ ጋዜጣዊ መግለጺኡ፡ ብዛዕባ'ቶም ኣብ ኤርትራ ዘለው ወተሃደራት ሶማልያ ኣመልኪቱ፡ እቲ 'ኤርትራ ብትሕጃ ዝሓዘቶም'ዮም፤ ከምኡ'ውን ኣብ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ተሳቲፎም'ዮም፡' ክበሃል ዝጸንሐ ዝተፈላለየ ዘረባታት፡ ሓሶት እዩ ክብል ገሊጹ። እቲ ወሃቢ ቃል፡ 'ኤርትራ ነቶም ወተሃደራት ሶማልያ ንነዊሕ ግዜ ዝሓዘትሉ ምኽንያት፡ ንሶማልያ 50 ሚልዮን ዶላር ስለእትእውዳ፡ ከም ትሕጃ ዝተታሕዙ እዮም፡' ክበሃል ክስማዕ ዝጸንሐ ዘረባ \"ሓሶት እዩ\" ብምባል ነጺግዎ። “እዚ ሓሶት እዩ፡ እዞም ወተሃደራት ከም መባድልቲ ኣይተታሕዙን፤ ሶማልያ እትእወዶ ዝዀነ ገንዘብ የለን፡\" ድሕሪ ምባል፡ \"ንኣብነት ቱርኪ፡ ኡጋንዳን ኢትዮጵያን ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ወተሃደራት ሶማልያ የሰልጥና’የን። እንተዀነ ንገንዘብ ኣይኰነን፡” ኢሉ። ህላወ ወተሃደራት ሶማልያ ኣብ ኤርትራ፡ ንነዊሕ ግዜ ብትሒም ትሒም ክኸይድ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ’ውን ቅድሚ ምብጻሕ ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ብዛዕባ ህላወኦም ዝተዋሃበ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣይጸንሐን። እቲ ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሶማልያ ኣብ ርእሲ'ዚ፡ እቲ ሰራዊት ሶማልያ ኣብ ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ተሳቲፎም’ዮም ዝብል ዘረባታት'ውን ‘ሕሜታ’ እዩ ክብል ገሊጽዎ። ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ “ብዘይካ ሕሜታ፡ ሰራዊት ሶማልያ ኣብ ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ተሳቲፎም ዝብል ወግዓዊ መግለጺ ሰሚዕኩም ትፈልጡ ዲኹም?” ኢሉ። እቶም ኣንጻር ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጲያን መላፍንቱ ሓይልታትን ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ኵናት ዝተጸምዱ መራሕቲ ትግራይ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ሰራዊት ሶማልያ ኣብቲ ኵናት ከምዝተሰለፉ’ዮም ዝገልጹ። መንግስቲ ሶማልያ ብወገኑ፡ ንመግለጺ መራሕቲ ትግራይ ብተደጋጋሚ ኣሉታዊ መልሲ ክህበሉ ከም ዝጸንሑ ይዝከር። ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ካብ 9 ሓምለ ኣትሒዙ ንኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ፤ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተሰንዩ፡ ኣብ መመረቕታ ናይቶም ኣብ ኤርትራ ንሰለስተ ዓመታት ክስልጥኑ ጸኒሖም ዝተባህሉ ወተሃደራት ኣብ ዝተሳተፈሉን ኣጋጣሚ እዩ፡ ህላወ እዞም ወተሃደራት ጋህዲ ዝዀነ። ብዘይካ'ዚ ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ክስልጡ ናይ ዝጸነሑ ወተሃደራት ሶማልያ’ውን ብፕረዚደንት ኢሳይያስን ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ሜጀር ጀነራል ሑመድ መሓመድ ካሪካረን ተሰንዩ ከምዝበጽሖም ተለቪዥን ኤርትራ ምቅልሓ ይዝከር። ፕረዚደንት ሶማልያ ነበር መሓመድ ዓብደላሂ ፋርማጆ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት 2022 ንፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ሰልጣን ኣብ ዘረክበሉ ኣጋጣሚ’ዩ፡ 5000 ወተሃደራት ሶማልያ ንስልጠና ናብ ኤርትራ ከይዶም ምህላዎም ብምሕባር፣ ስልጣንን ሓደራን ኣረኪቡ። ወሃቢ ቃል ዓብዱልከሪ ዓሊ ካር፡ እቶም 5000 ወተሃደራት ኵሎም ኣብ ኤርትራ ምህላዎም ብምርግጋጽ፡ መንግስቲ ሶማልያ ናብ ሃገሮም ክመልሶም ይሰርሕ ምህላዉ ገሊጹ። ተለቪዥን ኤርትራ፡ እቶም ኣብ እዋን መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ ወተሃደራት ሶማልያ፡ ንሰለስተ ዓመታት ወተሃደራዊ ተዓሊም ክወስዱ ምጽንሖም’ያ ገሊጻ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cerejv2z8ero"} {"headline":"“ኣልሸባብ ዋላ’ኳ እንተመከትናዮ፡ ካብዚ ንደሓር ምድላው የድልይ” ፕረዚደንት ክልል ሶማሌ ሙስጠፋ","content":"ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ፡ እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ ክልል ሶማሌ ዝኸፈቶ መጥቃዕቲ፡ ሓይልታት ፀጥታ ኢትዮጵያ መኪተሞ እዮም ኢሉ። ኣይተ ሙስጠፋ መሓመድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣልሸባብ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝኸፈቶ መጥቃዕቲ፡ ሕዚ ምስ ዘሎ ዞባዊ ኩነታት ተዛሚዱ ምድላዋት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝግባእ መርኣያ እዩ ክብል ተዛሪቡ። እቲ ርእሰ ምምሕዳር፡ ወረዳ ፌርፌር ዕጡቓት ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ካብ ሞንጎ ዝፈፀምሉ ከባብታት ሓደ ምዃኑ ሓቢሩ። “ናይ ኣልሸባብ ትልሚ ግብረ-ራዕዲ ፈሺሉ እዩ። ፖለቲካዊ  ኩነታት እቲ ዞባን ድሌት ሓደ ሓደ ሃገራትን ምስ ንምልከት ግና፡ ሱቕ ኢልካ ምድቃስ እንተይኮነስ ካልኦት ምድላዋት የድልዩ’ዮም” ኢሉ። ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ግብረ-ራዕዳዊ ተባሂሉ ዝተሰየመን ኣብ ሶማልያ ዝመደበሩን ኣልሸባብ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ረቡዕ ጀሚሩ፡ ብዝተፈላለዩ ኣንፈታት ናብ ኢትዮጵያ ብምእታው ኣብ ክልል ሶማሌ መጥቃዕትታት ፈፂሙ። ኣይተ ሙስጠፋ፡ እቲ ጉጅለ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍፃሙ ኣብቲ ክልል ፍሉይ ስግኣት ፀጥታ ከምዘይነበረ ንቢቢሲ ገሊፁ። ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ምኽፋቱን፡ ነቲ ዕጡቕ ጉጅለ ንምክልኻል ዝተወሰደ ስጉምትን ኣብ ቀፃሊ ክልል ሶማሌ ፀጥታ ንምውሓስ ምድላዋት ክህሉ ዕድል ይፈጥር’ዩ ክብል ተዛሪቡ። “. . . ካብዚ ንደሓር ከይንግራህ ዕድል ስለዝፈጥር ዝሐሸ ኩነታት ኣሎ ኢለ እየ ዝኣምን” ኢሉ። ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ፡ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሌ ናብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ምስ ዝኣተዉ ዕጡቓት ኣልሸባብ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዶብ ከምዝተዋግኡ መንግስቲ እቲ ክልል ገሊፁ እዩ። እቲ መጥቃዕቲ፡ ሶማልያ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ትዳወበሎም ከተማታት ዶብ ዝተፈፀመ ኮይኑ፡ ብኽልቲኦም ወገናት ጉድኣት ከምዝበፅሐ ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ ነይሩ። ነዚ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ናብታ ክልል ከምዝተዋፈረ እውን ተገሊፁ ነይሩ። ኣልሸባብ፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ንምፍፃም ክሕነ እኳ እንተፀንሐ፡ ካብ ፈተነ ዝዘለለ መጥቃዕቲ ግና ፈፂሙ ኣይፈልጥን። ሕዚ ዕጡቓቱ ዶብ ሰጊሮም ዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ ድማ ትፅቢት ዘይተገበሮ እዩ። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ኣልሸባብ ኣብዚ ቅነ ኣብቲ ክልል ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ልዕሊ 80 ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ'ቲ ክልል ከምዝቐተለ ምፅብፃቡ ይዝከር። ነዚ ስዒቡ፡ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሌ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ኣስታት 200 ኣባላት እቲ ጉጅለ ከምዝቐተሉ ይግለፅ። ብሰፊሑ ኣብ ሶማልያ ዝንቀሳቐስ እስላማዊ ዕጡቅ ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ምስ ኣልቃዒዳ ርክብ ከምዘለዎ ይግለፅ። ኣብ ሶማልያ ከኣ ህይወት ብዙሓት ዝቐጠፈ ናይ ቦንቧን ደባይን መጥቃዕትታት ክፍፅም ፀኒሑ። እዚ ጉጅለ ካብ ሶማልያ ብዝዘለለ፡ ኣብ ኬንያ ብተደጋጋሚ ግብረ-ራዕዳዊ መጥቃዕቲ ዝፈፀመ እንትኾን፡ ዝፍፅሞ መጥቃዕቲ ክሳብ ዩጋንዳ ዝተዘርገሐ እዩ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crgeevd12zpo"} {"headline":"ዕጡቓት ኣልሸባብ፡ ኣብ ሓደ ሆቴል ሞቃድሾ 10 ሰባት ቀቲሎም","content":"ዕጡቓት ኣልሸባብ ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማሊያ ሞቛድሾ ኣብ ዝርከብ ሓደ ሆቴል ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ዓሰርተ ሰባት ከምዝሞቱ ሰበ ስልጣን ድሕነት እታ ሃገር ገሊጾም። እቶም ዕጡቓት ቅድሚ ናብ ቀጽሪ እቲ ሆቴል ኣትዮም ተኹሲ ምኽፋቶም ኣብ ደገ ክልተ ነተጉቲ ከምዘፈንጀሩ ፖሊስ ኣፍሊጡ። እቲ መጥቃዕቲ ተጀሚሩ ድሕሪ ቅሩብ ሰዓታት ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ላዕለዋይ ደብሪ ሆቴል ሓያት ከምዝተሓብኡ’ውን እቲ ጸብጻብ የመልክት። ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ኣብቲ ሆቴል ኣዕሪፎም ንዝነበሩ ብዙሓት ኣጋይሽን ሰራሕተኛታትን ከምዘድሓኑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ። “ሓይልታት ጸጥታ ንመጥቃዕቲ እቶም ኣብ መደቀሲ ክፍልታት ዓሪዶም ዝነበሩ ራዕዳውያን ናይ ምትህድዳእ ስራሕ ሰሪሖም። መብዛሕቲኦም’ኳ ዝድሓኑ እንተኾኑ ሸሞንተ ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉ ግን ተረጋጊጹ’ሎ” ክብል ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ዝኾነ መሓመድ ዓብዲከድር ገሊጹ። ናብ ኣልሸባብ ጸግዒ ከምዝሕዝ ዝዝረበሉ ዌብሳይት፡ እቶም ዕጡቓት ናብቲ ሆቴል ብሓይሎም ኣትዮም ብኣልማማ ተኹሲ ከምዝኸፈቱ ጸብጺቡ። እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ሆቴል ሓያት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ሶማልያ ብብዝሒ ዝራኸብሉ ቦታ ከምዝኾነ’ዩ ዝግለጽ። ትሽዓተ ሰባት ጉድኣት በጺሕዎም ካብቲ ሆቴል ከምዝተወሰዱ ሓላፊ ኣገልጉሎት ኣምቡላንስ ሞቛድሾ ዓብዲከድር ዓብዱራሕማን ንሮይተርስ ገሊጹ። ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዘዋወሩ ዘለዉ ዘይተረጋገጹ ምስልታት ካብቲ ሆቴል ትኪ እንዳተኸኸን ዝረአ ዀይኑ፡ ቡም ዝብል ድምጺ ድማ ይስማዕ። “ክልተ ኣብ መኪና ዝተጻወዱ ፈንጅታት ንሆቴል ሓያት ኣብ ዕላማ ኣእትዮመን” ክብል ፖሊስ ንሮይተርስ ሓቢሩ። እቲ ፖሊስ ኣብ ዝሃቦ ቃል “እቲ ሓደ ፈንጂ ኣብ ጥቓ እቲ ሆቴል ክፍንጀር እንከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ንማዕጾ ናይቲ ሆቴል ወቒዑ። እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ እቲ ሆቴል ከምዘለዉ ኢና ንኣምን” ኢሉ። እቲ መስ ኣል ቃዒዳ ምትእስሳር ከምዘለዎ ዝዝረበሉ ኣልሸባብ፡ ምስ መንግስቲ ፌደራል ሶማልያ ቀጻልነት ኣብ ዘለዎ ጎንጺ ተጸሚዱ ይርከብ። ኣልሸባብ፡ ዝበዝሕ ከባቢታት ደቡብውን ማእኸላይን ሶማልያ ዝተቖጻጸረ ኮይኑ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ኣብቶም ብመንግስቲ ሶማልያ ተታሒዞም ዝነበሩ ከባቢታት ጽልዋታቱ ኣሐይሉ ይርከብ። ቅድሚ ሒደት ሰሙናት፡ ምስ እቲ ጉጅለ ዝምድና ዘለዎም ዕጡቓት ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሶማልያን መጥቃዕቲ ዝፈነዉ ኮይኖም ኣልሸባብ ምናልባት ስትሬተጅኡ ቀይሩ ከይኸውን ዝብል ሻቕሎት ፈጢሩ’ሎ። እቲ ትማሊ ኣብ ሞቛድሾ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማልያ ኮይኑ ዝተመረጸ ሓሰን ሸኽ መሓመድ፡ በትረ ስልጣን ካብ ዝዓትር ንድሓር ንፈለማ እዋን ምዃኑ ተገሊጹ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cjkedmx80ggo"} {"headline":"ኣልሸባብ፡ ንምንታይ'ዩ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ፈጺሙ?","content":"ሶማልያ፡ ቅድሚ 31 ዓመታት ኣቢሉ ድሕሪ ውድቀት ማእከላይ መንግስቲ ዚያድ ባረ፡ ብዝተፈላለዩ ቀቢላታት ዝድገፉ ዕጡቓት ጕጅለታት ላዕለዋይ ኢድ ንምሓዝ ሓያለ ደማዊ ውግኣት ኣካይዶም። ጸኒሖም'ውን ካብ እንዳን ቀቢላን ሓሊፎም ሃይማኖታዊ መልክዕ ብምሓዝ ተወሳኺ ድጋፍ ምርካብ ጀሚሮም ነይሮም። በዚ መገዲ'ዚ ዝተኣኻኸበ ሕብረት እስላማዊ ቤት ፍርዲ ጽልኡ እናዓበየ መጺኡ፣ ንጎረባብቲ ሃገራት ከይተረፈ ከስገአን ጀሚሩ ነይሩ። ብፍላይ እቲ ጕጅለ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ኣመለኻኽታን ዝህቦ ዝነበረ መፈራርሒታትን፡ እታ ሃገር ወታሃደራዊ ስጕምቲ ክትወስድ ምኽንያት ኰይኑ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ሶማልያ ኣትዩ ብዝወሰዶ ወታሃደራዊ ስጕምቲ፡ ነቲ ጕጅለ ኣብ ሓጺር እዋን ካብ ወሰንቲ ናይ ስልጣንን ቍጠባን መሓውራት ከወግዶ ክኢሉ ነይሩ። እቲ ጕጅለ ምድኻሙ ስዒቡ፡ ካብ ሶማልያ ሓሊፉ ንሃገራት እቲ ዞባ ኣስጋኢ ዝዀነ ጕጅለ ኣልሸባብ ብመንእሰያት ተመስሪቱ። ካብ ዓበይቲ ከተማታት ወጻኢ ንሰፊሕ ከባቢታት ተቘጻጺሩ ዝርከብ ኣልሸባብ፡ ኣብ ሶማልያ ቀጻሊ ናይ ድብያን ናይ ቦምባን መጥቃዕቲታት ብምፍጻም፡ ጠንቂ ሞት ብዙሓት ሰባት ኰይኑ። ንመንግስትን ህዝብን እታ ሃገር ድማ ከቢድ ስግኣት ጸጥታ ኰይኑ ቀጺሉ ኣሎ። ካብ ሶማልያ ወጻኢ እውን፡ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኬንያ ንዝተፈጸሙን ከቢድ ጉድኣት ዘውረዱን ሽበራዊ መጥቃዕቲታት ሓላፍነት ወሲዱ እዩ። ምስ ሶማልያ ዘይትዋሰን ኡጋንዳ እውን ካብ መጥቃዕትን ምፍርራሕን ኣልሸባብ ኣይደሓነትን። ሰራዊታ ኣቐዲማ ናብ ሶማልያ ዘእተወት ኢትዮጵያ፡ ዋላ'ኳ ቀንዲ ዒላማ እቲ ጕጅለ ራዕዲ እንተዀነት፡ ዛጊት እዚ ዝበሃል መጥቃዕቲ ኣይተፈጸማን። ሰብመዚ ድሕነት ኢትዮጵያ፡ መጥቃዕቲታት ኣልሸባብ ከምዘበርዓኑን ኣባላት እቲ ጕጅለ ከምዝሓዙን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ገሊጾም እዮም። ኣልሸባብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብዙሓት ዕጡቓት ናብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ኣእትዩ መጥቃዕቲ ፈጺሙ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 13 ሓምለ 2014 ዓ\/ም [ግእዝ] ዕጡቓት ኣልሸባብ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ዘዋስኑ ከባቢታት መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ከቢድ ውግእ ተኻይዱ። ኢትዮጵያ ኣብ መጀመርታ ምንቅስቓስ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን (ኦብነግ) ጸኒሑ ድማ ኣልሸባብ ንምክልኻል ምስ ሶማልያ ኣብ ዘዋስና ከባቢታት ወተሃደራትን ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልልን ኣዋፊራ ጸኒሓ እያ። እዚ ድማ ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ክፍጽምን ናብታ ሃገር ሰሊኹ ክኣቱን ዕድል ኣይሃቦን። ድሕሪ ኲናት ትግራይ ዝበዝሐ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብቲ ክልል ዝወጸ ኰይኑ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸር ከምዝዀነ ዝንገረሉ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ነቲ ሓለዋ ከካይድ ጸኒሑ። ኣልሸባብ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘካየዶ መጥቃዕቲ ብቐጥታ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝጀመሮ ኣይነበረን። እዚ ምስ ኣልቃዒዳ ርክብ ከምዘለዎ ዝንገረሉ ዕጡቕ ጕጅለ ሶማልያ፡ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዋስኑ፡ ዩድን ኣቶን ዝበሃሉ ከባቢታት እዩ መጥቃዕቲ ጀሚሩ። በዚ ድማ ኣብቲ ዶብ ምስ ዝነበሩ ፍሉይ ሓይልታት ክልል ሶማል - ኢትዮጵያ ከቢድ ኲናት ተኻይዱ፣ ብኽልቲኡ ወገን ከቢድ ጕድኣት ከም ዝወረደ ሰብመዚን ነበርትን እቲ ከባቢ ምግላጾም ተሓቢሩ። መጥቃዕቲ ኣልሸባብ ግን ኣብቲ ዶብ ደው ኣይበለን። እቶም ዕጡቓት ብብዙሓት ተሽከርከርቲ ተጻዒኖም ኣብ ክልል ሶማል ናብ ዝርከብ ዞባ ዓፍዴር ጥሒሶም ኣትዮም ምስ ፍሉይ ሓይሊ ሶማል ብዘካየድዎ ከቢድ ኲናት፡ ብዙሕ ጉድኣት ከም ዝወረደ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም። ሶማልያ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ እትዋሰነሉ ከባቢታት ዝርከቡ ዩድን ኣቶን ብብዙሕ ኪሎሜትራት ተረሓሒቘም ዝርከቡ ከባቢታት እዮም። እቲ ጕጅለ መጀመርታ ኣብ ኣቶ ቀጺሉ ድማ ኣብ ዮድ እዩ መጥቃዕቲ ፈጺሙ። ኣባላት ኣልሸባብ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ኣተዉ፡ ኣብ ዞባ ዓፍዴር ከቢድ ውግእ ተኻይዱ ብዙሓት ኣባላት እቲ ጕጅለ ከምዝተቐተሉ ብወገን ኢትዮጵያ ተገሊጹ እዩ። ዝተረፉ ድማ ኣብ ሃርገሌ ኣብ ዝርከብ ሁልሁል ዝተባህለ ከባቢ ከምዝተኸበቡ፡ ኣብቲ እዋን ቢቢሲ ጸብጺቡ ነይሩ። ኣብቲ ንሰለስተ መዓልቲታት ኣብ መንጎ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማልን ዕጡቓት ኣልሸባብን ዝተኻየደ ከቢድ ኲናት፡ ሰላማውያን ሰባት ሓዊሱ ብዙሓት ተዋጋእቲ ከምዝተቐተሉን ብዙሓት ተሽከርከርቲ ከምዝተቓጸላን ነበርቲ ይዛረቡ። መንግስቲ ፌደራልን ክልል ሶማልን መግለጺ ኣብ ዘይሃቡሉ፡ ወሃቢ ቃል ኣልሸባብ ዓብዱያሲስ ኣቡ ሙሳብ፡ ኣብ ሶማልያ ክልተ ዓዲታት ከምዝተቘጻጸሩን ኣብቲ ኲናት ብዙሓት ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ሶማል ከምዝተቐተሉን ንሮይተርስ ተዛሪቡ ነይሩ። ንሱ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝተፈጸመ መጥቃዕትን ኣብ ዕጡቓቶም ዝወረደ ጕድኣትን ግን ኣይተዛረበን። ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣቐዲሙ ዝተዛረበ ግንባር ናጽነት ኦጋዴን (ኦብነግ) እዩ። ኦብነግ ሓሙስ ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ግብረ ሽበራዊ ክብል ዝገለጾ ኣልሸባብ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጕድኣት ከምዝወረደ ጠቒሱ፡ መንግስቲ እቲ ክልል ድሕነት ህዝቢ ንምሕላው ቅልጡፍ ስጕምቲ ክወስድ ጸዊዑ። መንግስቲ ክልል ሶማል ደንጉዩ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል፡ ዶብ ጥሒሶም ምስ ዝኣተዉ ዕጡቓት ኣልሸባብ ኣብ ዘካየዶ ውግእ፡ ልዕሊ 100 ዕጡቓት ምማቶም፣ 13 ተሽከርከርቲ ምቅጻለንን ዕጥቅን ስንቅን ምምራኾምን ኣፍሊጡ እዩ። ዋላ'ኳ ኣልሸባብ ምኽንያት እቲ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ እንተዘይገለጸ፡ ኣብቲ ክልል ኣቐዲሞም ዘጋጠሙ ኵነታት ምስቲ መጥቃዕቲ ክተሓሓዙ ከምዝኽእሉ ይግለጽ። ሓደ ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማል ንሮይተርስ ከምዝሓበሮ፡ ሓደ ላዕለዋይ መራሒ ኣልሸባብ ናብ ክልል ሶማል ኣትዩ ኣባላት ንምምልማል ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ተቐቲሉ እዩ። ብተወሳኺ ኤልከሬ ኣብ ዝተባህለ ወረዳ እቲ ክልል፡ ፍሉይ ሓይሊ ብዘካየድዎ ዳህሳስ ዝተቐበሩ ኣጽዋራት ረኺቦም ነይሮም። ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኣባላት ኣልሸባብ ዝተባህሉ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉን፣ ኣልሸባብ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ምስዚ ዝተሓሓዝ ክኸውን ከምዝኽእልን ይእመን። ድሕሪ ናይ መዓልቲታት ስቕታ ቤት ምኽሪ ክልል ሶማል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ተኸቢቦም ዝነበሩ ኣባላት ኣልሸባብ ምሉእ ብምሉእ ተደምሲሶም ኢሉ። ብተወሳኺ ዕላማ ኣልሸባብ፡ ብወረዳ ኤልከሬ ሓሊፉ “ናብ ክልል ኦሮምያ ብምእታው ምስ ሸኔ [ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ] ንምርኻብ ዓሊሙ ነይሩ” ኢሉ። ኣልሸባብ ንምንታይ ኣብዚ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ጥሒሱ ከምዝኣተወን እንታይ ክሳራ ከምዝወረዶን ኣይገለጸን። መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ዛጊት ብዛዕባ'ዚ መጥቃዕቲ ኣልሸባብ ዝበሎ ነገር የለን። እንተዀነ፡ ኣልሸባብን ኣይኤስን [ዳዕሽ] ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ክፍጽምዎ ሓሲቦም ንዝበሎም መጥቃዕቲታት ከምዘፍሸለን ኣባላቶም ከምዝሓዘን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ገሊጹ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም'ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ተሊሞም ነይሮም ዝበሎም 31 ኣባላት ኣልሸባብን ኣይኤስን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ገሊጹ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cpdxngvr91ko"} {"headline":"ኣልሸባብ ንኻልኣይ ግዘ ምስ ኢትዮጵያ እትዳወብ ከተማ ኣጥቂዑ ተባሂሉ","content":"ኣልሸባብ ሎሚ ንጎሆ ዓርቢ 22 ሓምለ 2014 ዓርቢ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ልዕሊ ምስ ኢትዮጵያ እትዳወብ ኣቶ ዝተብሃለት ከተማ ሶማልያ፡ መጥቃዕቲ  ከምዝፈጸመ ሓደ በዓልመዚ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ። ኣልሸባብ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ነዛ ዶባዊት ከተማ መጥቃዕቲ ብምፍጻሙ ምስ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማል ኢትዮጵያ፡ ከምዝተዋግአ ዝዝከር እዩ። እዚ ስሙ ከይግለጽ ዝሓተተ ሓደ በዓል ስልጣን እታ ክልል፡ እቲ ጉጅለ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ንኻልኣይ ግዘ ኣብታ ናብ ዶብ ኢትዮጵያ ዝቐረበት ከተማ ኣቶ፡ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ሓቢሩ። ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ከባቢ ዝተዋፈሩ ሓይልታት ፀጥታን ዕጡቓት ኣልሸባብን ጉድኣት ከምዝበጽሐ  ዘመልከተ እቲ በዓል ስልጣን፡ ዝርዝሩ ካብ ምዝራብ ተቖጢቡ። ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ፡ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሌ ናብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ምስ ዝኣተዉ ዕጡቓት ኣልሸባብ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዶብ ከምዝተዋግኡ ጸብጻባት ይሕብሩ። እቲ መጥቃዕቲ፡ ሶማልያ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ትዳወበሎም ከተማታት ዶብ ዝተፈፀመ ኮይኑ፡ ብኽልቲኦም ወገናት ጉድኣት ከምዝበፅሐ ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ ነይሩ። ነዚ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ናብታ ክልል ከምዝተዋፈረ እውን ተገሊፁ ነይሩ። ኣልሸባብ፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ንምፍፃም ክሕነ እኳ እንተፀንሐ፡ ካብ ፈተነ ዝዘለለ መጥቃዕቲ ግና ፈፂሙ ኣይፈልጥን። ሕዚ ዕጡቓቱ ዶብ ሰጊሮም ዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ ድማ ትፅቢት ዘይተገበሮ እዩ። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ኣልሸባብ ኣብዚ ቅነ ኣብቲ ክልል ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ልዕሊ 80 ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ'ቲ ክልል ከምዝቐተለ ምፅብፃቡ ይዝከር። ነዚ ስዒቡ፡ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሌ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ኣስታት 200 ኣባላት እቲ ጉጅለ ከምዝቐተሉ ይግለፅ። ብሰፊሑ ኣብ ሶማልያ ዝንቀሳቐስ እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ምስ ኣልቃዒዳ ርክብ ከምዘለዎ ይግለፅ። ኣብ ሶማልያ ከኣ ህይወት ብዙሓት ዝቐጠፈ ናይ ቦንቧን ደባይን መጥቃዕትታት ክፍፅም ፀኒሑ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw0p6e88574o"} {"headline":"ሓይልታት ሶማልያ ን30 ሰዓታት ዝቐጸለ ከበባ ሆቴል ከምዘብቅዕ ገሊጾም","content":"ሓይልታት ሶማልያ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዝርከብ ሆቴል ብምቍጽጻር ህይወት ሰባት ንዘጥፍኡ ዕጡቓት ከምዝሰዓርዎም ኣፍሊጦም። ኣብቲ ን30 ሰዓታት ዝቐጸለ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ፡ ብውሕዱ 12 ሰባት ከምዝሞቱ ዝግለፅ ኮይኑ፡ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ግን እቲ ቁጽሪ ሞት ካብዚ ንላዕሊ ክኸውን ከምዝኽእል ይሕብራ ኣለዋ። እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት፡ ኣብ ሞቓድሾ ዝርከብ ሆቴል ሓያት ንዝነበሩ ኣጋይሽ ንሓደ ለይቲ ጅሆ ቅድሚ ምሓዞም ናብኡ መእተዊ ንክኾኖም ኣብ ኣፍደገ ነታጒ ኣፈንጂሮም’ዮም። እስላማዊ ኣኽራሪ ጕጅለ ኣልሸባብ ድማ ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ’ሎ። ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ በዓል ስልጣን ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ \"ሓይልታት ጸጥታ ሕጂ ነቲ ከበባ ተቘጻጺሮምዎ ኣለዉ፤ እቶም ዕጡቓት ድማ ሞይቶም። ኣብ ዝሓለፈ ሰዓት ካብቲ ህንጻ ዝስማዕ ተዅሲ ኣይነበረን\" ኢሉ። እቲ ሆቴል ብዓርቢ ምሸትን ቀዳምን ብሓይልታት ጸጥታ ጽዑቕ ደብዳብ ምስተኻየዶ፡ ብኸቢድ ዝዓነወ ኰይኑ፡ ካብ ናሕሲ እቲ ህንጻ ፍንጀራን ትክን ዘርእዩ ቪድዮታት ይዝርግሑ ነይሮም። ቢቢሲ እቲ መጥቃዕቲ ከምዝተዛዘመ ካብ ነፃ ኣካል ከረጋግጽ ኣይከኣለን። እቶም ዕጡቓት ብዓርቢ ምሸት ናብቲ ሆቴል ንምእታው ነቲ ናይ ቅድሚት መከላኸልን ኣፍደገን ዒላማ ዝገበሩ ክልተ ናይ መኪና ቦምባታት ከምዝተጠቕሙ ሓደ ኣባል ፖሊስ ንሮይተርስ ሓቢሩ። ድሕሪ ምጅማር እቲ መጥቃዕቲ ድማ ​​ሓደ ምስ ኣልሸባብ ዝተኣሳሰር መርበብ ሓበሬታ፡ ጕጅለ ዕጡቓት ናብቲ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ፌደራል ከምዝራኸቡሉ ዝግለፅ ሆቴል \"ብሓይሊ ድሕሪ ምእታዎም ብኣልማማ ይትኩሱ\" ከምዘለዉ ገሊጹ። ኣባል ስለያ እታ ሃገር መሓመድ፡ \"ክሳብ ሕጂ ዝበዝሑ ሲቪላት ዝርከብዎም 12 ሰባት  ከምዝሞቱ ኣረጋጊጽና ኣለና\" ክብል ትማሊ ቀዳም ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ተዛሪቡ። እቶም ቍጽሮም ዘይተፈልጠ ሰባት ጅሆ ሒዞም ዝነበሩ ዕጡቓት፡ ንመእተዊ ዘድልዮም መደያይቦታት ብቦምባታት የዕንው ስለዝነበሩ፡ ሓይልታት ጸጥታ ናብቲ ህንፃ ንምእታው ኣርባዕተ ሰዓታት ከምዝወሰደሎም ይግለፅ። ዳይረክተር ኣብ ሞቓዲሾ ናይ ዝርከብ ሓደ ሆስፒታል ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ሆቴል ብዝተፈጸመን ኣብ ካልእ ክፋል እታ ርእሰ ከተማ ብዝነበረ ናይ ሞርታር መጥቃዕትን ዝቘሰሉ ብውሕዱ 40 ሰባት ኣብ ሆስፒታሎም ይሕክሙ ከምዘዉ ኣረዲኡ። ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ዘለዎም ኣልሸባብ፡ ምስ መንግስቲ ፌደራል ነዊሕ እዋን ኣብ ዝጸንሐ ግጭት ተጸሚዱ ኣሎ። እቲ ጕጅለ ንመብዛሕትኡ ክፋል ደቡባውን ማእኸላይን ሶማልያ ዝቆፃፀር እኳ እንተኾነ፣ ናብቲ ኣብ ሞቓድሾ ዝመደበሩ መንግስቲ ዝቈጻጸሮ ከባቢታት ፅልዋኡ ከስፍሕ ክኢሉ እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት’ውን ምስቲ ጕጅለ ምትእስሳር ዘለዎም ዕጡቓት ኣብ ዶብ ሶማልያን ኢትዮጵያን ኣብ ዝርከቡ ዒላማታት መጥቃዕቲ ምፍጻሞም፡ ኣልሸባብ ሓድሽ ስልትታት ክኽተል ከምዝኽእል ስክፍታታት ዝፈጠረ ነይሩ። እቲ ናይ ዓርቢ መጥቃዕቲ፡ ​​ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ኣብ ወርሒ ግንቦት ድሕሪ ምምራጹ፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ንፈለማ እዋን ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኰይኑ’ሎ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ce9nrd0d13po"} {"headline":"ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማል ንኻልኣይ ግዜ ምስ ኣልሸባብ ከምዝተዋግአ ተገሊጹ","content":"ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማል፡ ንኻልኣይ ግዜ ናብ ኢትዮጵያ ጥሒሶም ምስ ዝኣተዉ ዕጡቓት ኣልሸባብ ትማሊ ሰኑይ ከምዝእተዋግአ ነበርትን መንግስቲ እቲ ክልልን ገሊጾም። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዕጡቓት ኣልሸባብ ብወገን ሶማልያ ናብ ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም ኣብ ዞባ ዓፍዴር ክልል ሶማል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ነይሮም። ሰኑይ 18 ሓምለ 2014 [ግእዝ] ድሕሪ ቐትሪ'ውን፡ ኣብ ክልል ሶማል ከባቢ ወረዳ ፌርፌር፡ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ምስ ዕጡቓት ኣልሸባብ ከምዝተዋግአ ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም። ምምሕዳር ክልል ሶማል ሰኑይ ምሸት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል “ንኻልኣይ ግዜ ዶብ ጥሒሱ ክኣቱ ንዝፈተነ ግብረ ሽበራዊ ጕጅለ ኣልሻባብ ደምሲሱ” ብምባል ዝተፈላለዩ ኣጽዋራት ኲናት ከምዝማረኸ ሓቢሩ። እቶም ዕጡቓት፡ ኣብ ሶማልያ ካብ ዝርከብ ግዝኣት ሄራን ተበጊሶም፡ ናብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ሶማል ዞባ ሸበሌ ናብ ዝርከብ ወረዳ ፌርፌር ጥሒሶም ንምእታው ከምዝፈተኑን፡ ምስ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ውግእ ከምዝተኻየደን መንግስቲ እቲ ክልል ገሊጹ ኣሎ። ብተወሳኺ ዕጡቓት ኣልሸባብ ከምዝተቐተሉን ከምዝተማረኹን ተሓቢሩ። እቲ ትማሊ ዝተኻየደ ውግእ ካብ ርሑቕ ከባቢታት ይስማዕ ከምዝነበረ እዮም ነበርቲ ዝገልጹ። እንተዀነ በቲ ጐንጺ ብዛዕባ ዝወረደ ጕድኣት ዝተባህለ ነገር የለን። ኣንጻር ዕጡቓት ኣብ ዝግበር ውግእ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ'ውን ተዋፊሮም ከምዘለዉ መንግስቲ ክልል ሶማል ሓቢሩ ኣሎ። ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንሰለስተ መዓልቲታት ኣብ መንጎ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማልን ዕጡቓት ኣልሸባብን ዝተኻየደ ከቢድ ኲናት፡ ሰላማውያን ሰባት ዝርከብዎም ብዙሓት ተዋጋእቲ ከምዝተቐተሉን ብዙሓት ተሽከርከርቲ ከምዝተቓጸላን ነበርቲ ተዛሪቦም ነይሮም። ወሃቢ ቃል ኣልሸባብ ዓብዱያሲስ ኣቡ ሙሳብ፡ ኣብ ሶማልያ ክልተ ዓዲታት ከምዝተቘጻጸሩን ኣብቲ ኲናት ብዙሓት ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማል ከምዝተቐተሉን ንሮይተርስ ተዛሪቡ ነይሩ። ንሱ ናብ ኢትዮጲያ ጥሒሶም ብዛዕባ ምእታዎምን ኣብ ዕጡቓቶም ዝወረደ ጕድኣትን ግን ኣይተዛረበን።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cl7ee0nqyddo"} {"headline":"ብኣመሪካ ክድለ ዝጸንሐ መራሒ ኣልሸባብ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝተቐትለ ተሓቢሩ","content":"ብሓይልታት ምክልኻል ዝተወስደ ስጉምቲ ስዒቡ፡ ሰለስተ ላዕለዎት መራሕቲ ኣልሸባብ ከምዝተቐትሉ ተገሊፁ። ካብቶም ብሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ተቐቲሎም ዝተብሃሉ ላዕለዎት ኣመራርሓ ኣል-ሸባብ፡ ፉኣድ መሓመድ ካህላፍ ይርከቦም። መንግስቲ ኣመሪካ፡ ብዛዕባ ሃለዋት ፉኣድ ንዝሓበረ 5 ሚልዮን ዶላር ሽልማት ክኸፍል ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ። ሓላፊ ምውፋር ሓይሊታት ምክልኻል ሃገርን፡ ጊዝያዊ ኣዋሃዲ፡ ኮማንድ ፖስት ፀጥታን፡ ሜጀር ጀነራል ተስፋይ ኣያሌው፡ ሓላፊ ጎስጓስን ፕሮፖጋንዳን ኣልሸባብ ፉኣድ መሓመድ ካህላፍ ሓዊሱ፡ ሰለስተ ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ጉጅለ ከምዝተቐትሉ ምግላጹ፡ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢሩ። ከምኡ'ውን፡ ኣፈኛ ናይቲ ጉጅለ ምዃኑ ዝንገረሉ ዓብዱልዓዚዝ ኣቡ ሙሳን፡ ሓላፊ ዞባ ባኩልን ኣዋሰንቲ ኢትዮጵያን ዝዀነ፡ ዑቤዳ ኑር ኢሳን፡ በቲ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትሉ፡ ሜጀር ጀነራል ተስፋይ ኣያሌው ወሲኹ ተዛሪቡ። መንግስቲ ኣሜሪካ፡ እቲ ብሰፊሑ 'ፉኣድ ሾንጋለ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ፉኣድ መሓመድ ካህላፍ፡ ካብቶም  ዝድለዩ መራሕቲ ኣልሸባብ ምዃኑን ነቲ ‘ኣኽራሪ’ ጉጅለ ፋይናንሳዊ ደገፍ ከምዝገብርን ይገልጽ። ኣልሸባብ፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ፡ እቲ ጉጅለ ንመዋፈሪ ዝጥቀመሉ ዝነበረ መኽዘናት ኣጽዋርን መግብን ከጥቅዕ ከምዝኸኣለ እቲ ጀነራል ወሲኹ ገሊጹ። እዚ ዜና ብዝምልከት፡ ዛጊድ ካብቲ ጉጀል ዝተብሃለ የለን። ኣልሸባብ ሎሚ ንጎሆ ዓርቢ 22 ሓምለ 2014 ዓርቢ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ልዕሊ ምስ ኢትዮጵያ እትዳወብ ኣቶ ዝተብሃለት ከተማ ሶማልያ፡ መጥቃዕቲ  ከምዝፈጸመ ሓደ በዓልመዚ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ። ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ፡ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሌ ናብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ምስ ዝኣተዉ ዕጡቓት ኣልሸባብ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዶብ ከምዝተዋግኡ ጸብጻባት ይሕብሩ። እቲ መጥቃዕቲ፡ ሶማልያ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ትዳወበሎም ከተማታት ዶብ ዝተፈፀመ ኮይኑ፡ ብኽልቲኦም ወገናት ጉድኣት ከምዝበፅሐ ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ ነይሩ። ነዚ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ናብታ ክልል ከምዝተዋፈረ እውን ተገሊፁ ነይሩ። ኣልሸባብ፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ንምፍፃም ክሕነ እኳ እንተፀንሐ፡ ካብ ፈተነ ዝዘለለ መጥቃዕቲ ግና ፈፂሙ ኣይፈልጥን። ሕዚ ዕጡቓቱ ዶብ ሰጊሮም ዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ ድማ ትፅቢት ዘይተገበሮ እዩ። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ኣልሸባብ ኣብዚ ቅነ ኣብቲ ክልል ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ልዕሊ 80 ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ'ቲ ክልል ከምዝቐተለ ምፅብፃቡ ይዝከር። ነዚ ስዒቡ፡ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሌ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ኣስታት 200 ኣባላት እቲ ጉጅለ ከምዝቐተሉ ይግለፅ። ብሰፊሑ ኣብ ሶማልያ ዝንቀሳቐስ እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ምስ ኣልቃዒዳ ርክብ ከምዘለዎ ይግለፅ። ኣብ ሶማልያ ከኣ ህይወት ብዙሓት ዝቐጠፈ ናይ ቦንቧን ደባይን መጥቃዕትታት ክፍፅም ፀኒሑ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4n32ljnnyno"} {"headline":"ኣልሸባብ ዝፈጸሞም መጥቃዕታት ንኢትዮጵያ ስግኣት ድዮም?","content":"ቅድሚ ሸሞንተ ኣዋርሕ፡ ቻነል ፎር ዝተባህለ ተሌቪዥን ዓዲ ኢንግሊዝ ኣብ ዝሰርሖ ጸብጻብ፡ ኮሎኔል ዴቅ ዓብዱላሂ ዝተባህለ ላዕለዋይ ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማል፡ ኣልሸብ ካብ ዶብ ኢትዮጵያ ሰለስተ ኪሎ ሜትሮ ጥራይ ርሒቝ ከም ዝርከብ ተዛሪቡ። “ልዑል ቍጽሪ ዘለዎ ሰራዊት ኣሎ፤ ብፍላይ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ስዒቡ ሓድሽ ሓይሊ ይምልምሉ ኣለው” ክብል እቲ ኣዛዚ ይዛረብ። ቅድሚ ኣዋርሕ፡ ኣብ ወረዳ ኤልከሬ፡ ሂሎ ማዶው ኣብ ዝተባህለ ዓዲ ብዝተኻየደ ዳህሳስ፡ ኣብ ውሽጢ ጉድጓድ ዝተቐብሩ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣጽዋር ከም ዝተረኽቡ ተገሊጹ ነይሩ። ኣልሸባብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ 13 ሓምለ 2014 [ግእዝ] ዶብ ኢትዮጵያ ጥሒሱ መጥቃዕቲ ከፊቱ። እቲ ናይ መጀመርታ መጥቃዕቲ፡ ባኩል ብዝተባህለት ግዝኣት ሃገረ ሶማልያ እዩ ጀሚሩ፤ ባኩል ካብ 18 ግዝኣታት ሶማልያ ሓንቲ እያ። በዚ ሸነኽ ዝተኸፍተ መጥቃዕቲ፡ ዬድ፡ ወሻኮን ኣቶን ዝተባህላ ኣብ ዶባት ዝርከባ ሰለስተ ከተማታት ዝሸፈነ እዩ ነይሩ። እዘን ከተማታት ኣብ ውሽጢ ሶማልያ ዝርከባ ኰይነን፡ ናብ ዶብ ኢትዮጵያ ኣዝየን ዝተጸግዓ እየን። ስለዚ፡ ኣልሸባብ ናብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ምእታው ብሶማልያ ከም ዝሓለፈ መረዳእታታት የመልክቱ። ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ዝተኸፍተ መጥቃዕቲ፡ ኣልሸባብ ክልተ ጕጅለታት ከም ዘሳተፈን ካብ ሶማልያ ዘሳግር ሓደ ጕጅለ ከምኡ’ውን ናብ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ካልእ ጕጅለ ከም ዝነበሮ ተገሊጹ። ንኻልኣይ ግዜ ብሰኑይ 18 ሓምለ 2014 ዓ.ም [ግእዝ] ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ብሸነኽ ሶማል፡ ፌር ፌር ብዝተባህለት ዓዲ መጥቃዕቲ ከፊሩ። እዛ ቦታ፡ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ እትርከብ ንእሽቶ ሓውሲ ከተማ እያ። ኣብ ጥቓ ከተማ ፌር ፌር ኣብ እትርከብ ላስቁሩ ዝተባህለት ከተማ’ውን ውግእ ተኻይዱ። ኣብዛ ከተማ ከቢድ ውግእ ዝተኻየደ ኰይኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ልዕሊ 80 ኣባላት ኣልሸባብ ከም ዝቐተለ ገሊጹ። ኣብቲ ከባቢ፡ ኣብ ሞንጐ ኣባላት ፍሉይ ሓይልን እቲ ዕጡቕ ጕጅለን ውግእ ከም ዝተኻየደ ነበርቲ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም። በሪስማ ኣብ ዝተባህለት ካልእ ከባቢ’ውን ውግእ ተኻይዱ ነይሩ። ብሓፈሻ፡ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ዝኣተው ዕጡቓት ኣልሸባብ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ዝተገብረ ውግእ 180 ዕጡቓት ከም ዝተቐትሉ፣ 13 መካይን ከም ዝዓነዋን ኣጽዋራት ከም ዝተማረኹን ይግለጽ። ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ምስ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማል ብምዃን ስጕምቲ ይወስድ ምህላው ክገልጽ እንከሎ፡ ካብ ሰሉስ ጀሚሩ ዝተነግረ ሓድሽ መጥቃዕቲ የለን። ኣብ ሶማልያ፡ ንኣልሸባብ ንምምካት ዝተዋፈረ ሓይሊ ሕብረት ኣፍሪቃ - ኣሚሶም፡ ካብታ ሃገር ዝወጽኣሉ መደብ ተግባራዊ ይገብር ምህላው ይንገር። ኢትዮጵያ እትርከበን ወተሃደራት ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሓዘ ኣሚሶም፡ ምስቲ ዕጡቕ ጕጅለ ዘካይዶም ውግኣት ከም ዝነከዩ ነቲ ዞባ ዝከታተል ፋይሰል ሮብለ ይዛረብ። ኣልሸባብ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብኽልተ ምኽንያታት ዓቕሙ ከጠናኽር ክኢሉ’ዩ ኢልካ ምግማት ከም ዝክኣል’ውን ይጠቅስ። ፕረዚደንት ሶማልያ ነበር መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ - ፎርማጆ፡ ሽሞም ብፍላይ ምስ ኣል ኢቲሓድ ብተደጋጋሚ ዝለዓል ሰበ ስልጣን ነይሮምዎ’ዮም ተባሂሉ ይንቀፍ። ኣል ኢቲሓድ፡ ብ1990ታት ኣልሸባብ ቅድሚ ምፍጣሩ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ዝፍጽም ዝነበረ ዕጡቕ ጕጅለ እዩ። ፎርማጆ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ብዙሓት ኣባላት እቲ ጕጅለ ኣብ ውሽጢ ምምሕዳር መንግስቲ ከም ዝነበሩ’ውን ይዝረብ። ኣልሸባብ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ታሪኽ ዝለዓለ ቝጽሪ ዘለዎም ተዋጋእቲ ከም ዝመልመለ ዝገልጽ ፋይሰል፡ ቅድሚ ሕጂ 10 ሽሕ ዘይመልእ ዕጡቕ እዩ ዘለዎ ተባሂሉ ይግመት'ኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ልዕሊ 30 ሽሕ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ንኦብነግ ሓዊሱ ኣልሸባብ ንምቅላስ ዝተወደበ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማል ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ከካትዕ ጸኒሑ’ዩ። ብሰንኪ እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝለዓሉ ግጭታት፡ ብዙሓት ምስ ስሩዕ ሰራዊት ዝመዓራረ ዕጥቅን ኣወዳድባን ዘለወን ክልላት እቲ ፍሉይ ሓይሊ ከፍርሳኦ ኣለወን ይብሉ ነይሮም። ምስዚ ብዝተሓሓዝ ዝለዓሉ ክትዓት፡ ፕረዚደንት ክልል ሶማል ሙስጠፌ ነቲ ፍሉይ ሓይሊ ኣመልኪቱ ዝህቦም ርእይቶታት ኣብ ልዕሊ እቲ ፍሉይ ሓይሊ ዝነበረ እምነት ክጐድል ገይሮም’ዮም ክብል ፋይሰል ይዛረብ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ዶብ ክልል ሶማል ዝነበረ ሰራዊት ቍጽሩ ምንካዩ፡ ኣልሸባብ ናብ ዶብ ኢትዮጵያ ደፊሩ ንኽጽጋዕ ምቹእ ኵነታት ከም ዝፈጠረ ይጠቅስ። ፕረዚደንት ሙስጠፌ፡ ሕጂ፡ ብዛዕባ ኣድላይነት ፍሉይ ሓይሊ እንዛተየሉ ግዜ ኣይኰነን ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። “ኣብ ኢትዮጵያ ክህሉ ብዛዕባ ዘለዎ ኣወዳድባ ጸጥታ ካልእ ግዜ እንተተዘራረብና እዩ ዝሓይሽ። ሕጂ ግን፡ ብቐንዱ እቲ ፍሉይ ሓይሊ ሃገር ከጥፍእ ንዝመጽአ ሓይሊ ይምክቶ’ዩ ዘሎ” ኢሉ። ሓያለ ማዕከናት ዜና፡ ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ክፍጽም ከም ዝኽእል መረዳእታታት ነይሮም’ዮም ይብላ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ነዚ ዝኸውን ምድላው ኣይገበረን ተባሂሉ ይንቀፍ። ፋይሰል ከም ዝብሎ፡ ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምኽፋቱ ቅድመ ምድላው ይገብር እዩ። እዚ ድማ፡ ንኲናት ዝሕግዙዎ ትሕተ ቕርጺ ምጽናዕን ምድላውን ዘጠቓልል እዩ። እዚ ከምዚ እናሃለወ ግን፡ ዋላ'ኳ ዓለምለኸ ትካላት ረድኤት ቅድሚ ኣርባዕተ ወርሒ ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ክፍጽም ከም ዝኽእል ሓበሬታ እንተሃቡ መንግስቲ ኣይተዳለወሉን ይብል ፋይሰል። ኣቶ ሙስጠፌ ግን ነዚ ነቐፌታ ኣይቕበሎን። “ኣልሸባብ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ናብ ክልል ሶማል ንምእታው ጻዕሪ ይገብር ነይሩ’ዩ። እናተኸላኸልና ኢና ኣፍሺልናዮ። ግን ክኣ ኣብ ዝዀነ ዓለም ዝዀነ ዓይነት ምዝንጋዕ ኣይህሉን ማለት ኣይኰነን። እቶም ሕጂ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሎም ከባቢታት ከተማታት ዶብ ሶማልያ ኰይኖም፡ ኣልሸባብ ልዕሊ ሓደ ኪሎ ሜትሮ ሓሊፎም ኣይኣተወን” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ወሲኹ፡ ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ካብ ዝኸፈተሎም ኣርባዕተ ከባቢታት ኣብ ሰለስቲኡ ተመኪቱ፤ ነቲ ሓደ ጥራይ ከም ዝሓለፎ ብምግላጽ ነዚ’ውን ስጕምቲ ተወሲዱዎ’ዩ ክብል ተዛሪቡ። ኢትዮጵያ፡ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ንኢትዮጵያ ስግኣት ከም ዝዀነ ብምግላጽ እያ ካብ 2006 ጀሚሩ ናብ ሶማልያ ንምእታው ወሲና። ኣብቲ ግዜ፡ ሰልፍታት ተቓውሞ ኢትዮጵያ ነዚ ውሳነ ክቃወሙዎ እንከለው፡ ብዙሓት ሶማልያውያን ድማ ከም ወራር ስለ ዝርኣይዎ ተቓዊሞምዎ ነይሮም። ድሕሪ እዚ ኢትዮጵያ ንኽልተ ዓመታት ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ወፍሪ ክትገብር እንከላ፡ ኣብቲ እዋን እናሓየለ ዝመጽእ ዝነበረ ሕብረት እስላማዊ ኣብያተ ፍርዲ ጸላኢ ኢላቶ ነይራ። ኣብቲ ግዜ፡ ኢትዮጵያ “መደበይ ኣዐዊተ’የ” እንተበለት’ውን ንዕኡ ስዒቡ ኣልሸባብ ዝተባህለ ጕጅለ እዩ ተፈጢሩ። ኢትዮጵያ ኣብ ኣሚሶም ካብ ዘለዋ ተሳትፎ ብተወሳኺ፡ ብዝተፈላለዩ መገዲታት እቲ ጕጅለ ናብ ኢትዮጵያ ንኸይኣቱ ክትከላኸሎ ጸኒሓ እያ። ሕጂ ሃገራት ምዕራብ ብኻልኦት ዕማማት ኣብ ዝተጸመዳሉ ግዜ፡ ወሰን ኢትዮጵያ ሰጊሩ ንምእታው ዘኽእሎ መጥቃዕታት ከፊቱ ኣሎ። “ኣልሸባብ፡ ናብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 80 ኪሎ ሜትሮ ሰሊዅ ንምእታው ከምኡ’ውን ኣብ ክልላት ሶማልን ኦሮሚያን ዘለው እምባታት ንምሓዝ ፈተነ ምግባሩ ኣነኣኢስካ ዝርአ ኣይኰነን። ኣመራርሓ እቲ ክልል ንኣልሸባብ መኪትናዮ ኢና እንተበለ’ውን፡ ኣጥፊአዮ እየ ክብል ኣይክእልን። ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ተውርድ ነይራ፤ ሕጂ ግን ትከላኸል ኣላ፡” ይብል ፋይሰል ሮብለ። ኣልሸባብ ኣብ ዝዀነ ቦታ ምስ ዝኣቱ፡ ንመንእሰያትን ዓበይቲ ዓድን እዩ ዝምልምል፤ ነቲ ህዝቢ ድማ ካብ መንግስቲ ዘይረኸቦ ኣገልግሎታት ብምምላእ ቅቡልነት ዝረኽበሉ ናይ ባዕሉ ስትራተጂ ይኽተል፡ ክብል እቲ ተንታኒ የብርህ። እቲ ሰልጢኑ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ሓይሊ፡ “ሙጃሂዲን ኢትዮጵያ” ዝብል ስያመ ዝተዋህቦ ጕጅለ ሽበራ ከም ዝዀነ ኣቶ ሙስጦፌ ተዛሪቡ። ኣልሸባብ፡ ቅድሚ ሕጂ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸክ ማሕሙድ ኣብ ስልጣን እናሃወለ ሰለስተ ፈተነ ቅትለት ገይሩሉ’ዩ። ሕጂ ዳግም ናብ ስልጣን ምስ ተመልሰ ምስ ኢኮኖሚስት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ ኣንጻር እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ዝግበር ቃልሲ ቀዳምነት ዝህቦ ጕዳይ ምዃኑ ገሊጹ። ፋይሰል፡ ኣልሸባብ ሓባራዊ ጸላኢ ክልቲአን ሃገራት ከም ዝዀነ ይዛረብ። “ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣለዋ፤ ሶማልያ ድማ ከባብያዊ ፍልጠት ኣለዋ። ስለዚ እዘን ሃገራት ብሓባር እንተሰሪሐን ተስፋ ኣለወን። እንተዘይኰይኑ ግን፡ ኣልሸባብ ካብ ክልቲአን ሃገራት ሓሊፉ ስግኣት እቲ ዞባ ክኸውን እዩ፡” ይብል። ኣቦ መንበር ኦብነግ ኣቶ ዓብዱራሕማን መሀዱ፡ “እቲ ኵነታት ኣሻቓሊ’ዩ” እንተበለ’ውን ድልየት ኣልሸባብ ግን ኣብ ክልል ሶማል ክዕወት’ዩ ኢሉ ኣይኣምንን። “ድጋፍን ቅቡልነትን ህዝቢ ክልል ሶማል ኣይህልዎን፤ ምኽንያቱ ህዝቢ ሶማል ጽኑዕ ሃይማኖትን ባህልን ዘለዎ ህዝቢ እዩ። ንኸምዚኦም ዝበሉ ሓደሽቲ ኣስተምህሮታት ኣይግዛእን'ዩ” ኢሉ። ይዅን’ምበር፡ “መንግስታት ክልልን ፌደራልን [ኢትዮጵያ] ከምኡ’ውን ካልኦት መሻርኽቲ ኣካላት፡ እዚ ክስተት ዕሽሽ ክብልዎ የብሎምን። ካብ ደገ ዝመጽአ መጥቃዕቲ ስለ ዝዀነ ኵሉ ክተሓባበር ኣለዎ” ይብል።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cxe5g1362zpo"} {"headline":"ፕረዚደንት ሶማልያ ብዛዕባ እቶም ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠኑ ወተሃደራት እንታይ ኢሉ?","content":"ኣብ ኤርትራ ናይ ኣርባዕተ መዓልትታት ዑደት ድሕሪ ምፍጻም ብሰሉስ ናብ ሃገሩ ዝተመለሰ ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማልያ፡ ንገለ ወለዲ ናይቶም ንስልጠና ናብ ኤርትራ ከም ዝተላእኹ ዝተገለጸ ወተሃደራት ከምዘዘራረበ ተገሊጹ። ብረቡዕ ምሸት ኣብ ገጽ ትዊተር እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝተዘርግሐ ሓጺር ቪድዮ፡ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ነቶም ወለዲ ክረኽብዎ ከምዝዓደሞም ይገልጽ። “ኣብ ጽባሕ ዒድ ኣልኣድሓ ናብቲ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ መዓስከር ከይደ ንደቅኹም ሪአዮም፡ ምስኦም’ውን ጸንቢለዮ፣ ነቲ ስእልታት ሪኢኹምዎ ትኾኑ ኢኹም። “ናይ ቴለፎን ካርድ መዐደጊ ዝኸውን ገንዘብ ሐዲገሎም፡ ቴለፎን ክድውሉልኩም ነጊረዮም ኣለኹ። ሎሚ ወይ ጽባሕ ይድውሉ ይኾኑ እዮም፡” ክብሎም ይስማዕ። ወላዲ ከምዝኾነን ደቅን ደቅ-ደቂን ከምዘለዎ ዝዛረብ እቲ ፕረዚደንት ቃንዛ እቶም ወለዲ ከምዝርድኦ’ውን ይዛረብ። “ደቅኩም ካብ ጎድንኹም ምስተፈለዩ፡ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ እቲ ዝርከቡሉ ኩነታት ምስ ዘይፈልጡ፡ ዝስምዓኩም ቃንዛ ይርድኣኒ እዩ” ኢሉ። ሓንቲ ካብ’ቶም ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፉ ወለዲት ነቲ ፕረዚደንት ድሕሪ ምምስጋን ወዳ ብረቡዕ ከምዝደወለላ ተዛሪባ። ካልእ ወላዲ’ውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ክነብዕ እንከሎ እቲ ፕረዚደንት ከጸናንዖን “ካልእ መዓልትታት ሓጎስ ይመጽእ ኣሎ” ክብሎን ኣብቲ ቪድዮ ይስማዕ። ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ካብ ቀዳም 9 ሓምለ ክሳዕ ሰሉስ 12 ሓምለ ናብ ኤርትራ ወግዓዊ ዑደት ከካይድ እንከሎ ኣብ መመረቕታ፡ ኣብ ኤርትራ ንሰለስተ ዓመታት ወተሃደራዊ ስልጠና ክወስዱ ከምዝጸንሑ ንዝተነገረሎም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ሶማል ከምዝተሳተፈ ቴለቪዥን ኤርትራ ጸብጺባ። ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ጉዳይ ናብ ኤርትራ ተላኢዀም’ዮም ዝተባህሉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሶማልያውያን ወተሃደራት ሓያሎ ክትዓት ከልዕል ጸኒሑ እዩ። መንግስታት ሶማልያ ኮነ ኤርትራ ኣብቲ ጉዳይ ዝኾነ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢበን እየን ጸኒሐን ፕረዚደንት ሶማልያ ነበር መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ኣብ መወዳእታ ግንቦት ስልጣኑ ንሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ኣብ ዘረክበሉ ዝነበረ ኣጋጣሚ’ዩ ንፈለማ እዋን ካብ ዝተፈላለያ ሓይልታት ጸጥታ ሶማልያ ዝተዋጽኡ 5,000 ወተሃደራት ሶማል ኣብ ኤርትራ ስልጠና ክወስዱ ከም ዝጸንሑ ተዛሪቡ። እቶም ኣብቲ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ጎድኒ መንግስቲ ፌደራል ብምዃን ከም ዝተሳተፉ ዝገልጽ ዝተፈላለየ ሓበሬታታት ክወጽእ እኳ እንተጸንሐ መንግስቲ ሶማልያ ክነጽጎ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cgew8q8qj5do"} {"headline":"ኣመሪካ፡ ወተሃደራታ ዳግም ናብ ሶማልያ ክትልእኽ'ያ","content":"ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንውሳነ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ብምቕልባስ ወተሃደራት ኣመሪካ ዳግም ናብ ሶማልያ ንምልኣኽ ዝቐረበ ሓሳብ ኣጽዲቑ። ፔንታጎን፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ሶማልያ ክምደቡ ዘቕረቦ ጠለብ፡ ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቐስ ኣ'ሸባብ ንምቅላስ ዝዓለመ ምዃኑ ተገሊጹ። ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ ኣብ 2020 ኣስታት 700 ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ሶማሊያ ከም ዘውጽኦም ይፍለጥ። ብዛዕባ ሰላም ብምጉስጓስ ዝፍለጥ ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ትማሊ ወግዓዊ ስርሑ ክጅምር እንከሎ ምስ ዓለምለኻውያን መሻርኸቲ ብቐረባ ከም ዝሰርሕ ተመባጺዑ። እታ ሃገር፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ብዝዘለቐ ጸገማት ድሕነትን ጸጥታን: ከምኡ'ውን ዝበዝሕ ከባቢታት እታ ሃገር ተቘጻጺሩ ግብሪ ኣብ ምእካብ ዝርከብ እስላማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ኣ'ሸባብ ብዝፍጽሞም መጥቃዕታትን ክትሕመስ ጸኒሓ እያ። ኣመሪካ ኣብ እዋን ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ሰራዊታ ካብ ሶማልያ ብምውጽኣ፡ ብዙሓት ስግኣቶም ክገልጹ ጸኒሖም። መብዛሕትኦም ሶማላውያን'ውን፡ ህይወቶም ኣብቶም ኣብታ ሃገር ተዋፊሮም ዝርከቡ ልዕሊ 19 ሽሕ ዓቀብቲ ሰላም ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሞርኮሰ'ዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ናብ ሶማልያን ካልእን ተንቀሳቒሶም ዝፈልጡ ትሕቲ 500 ወተሃደራት ኣመሪካ ከም ዝልኣኹ፡ ወሃቢት ቃል ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ኤድሪን ዋትሰን ተዛሪባ። ውሳነ ምውጻእ ወተሃደራት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ'ውን \"ህውኸ\" ነይሩ ክትብል ነቒፋ። ዕጡቓት ኣ'ሸባብ፡ ብተደጋጋሚ ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቓድሾን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታትን መጥቃዕታት ክፍጽሙ ጸኒሖም ኣለው። ብሰንኪ'ዚ ሶማልያ፡ ሚልዮናት ንህጹጽ ረድኤት መግቢ ብዘቃልዐ ደርቂን ናህሪ ዋጋታት መግብን ነዳድን ትፍተን ኣላ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61475570"} {"headline":"ኣመሪካ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣየር ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ከምዝቐተለት ተገሊፁ","content":"ኣመሪካ ንዕጡቓት ኣልሸባብ ዒላማ ብምግባር ኣብ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኣየር ኣብቲ ጉጅለ ጉድኣት ከም ዝበፅሐ መንግስቲ ሶማልያ ኣፍሊጡ። ካብ ሚንስትሪ ሓበሬታ እታ ሃገር ዝወጽአ መግለፂ ከም ዘመልከቶ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኣየር ሓሙሽተ ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ተቐቲሎም። እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ውግእ ዝተኻየደ ድማ ዕጡቓት ኣልሸባብ ካብ ከተማ ኪስማዮ ንኣንፈት ደቡብ ምዕራብ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዘሎ ሓይሊ መንግስቲ ሶማልያ መጥቃዕቲ ብምፍፃሙ ከም ዝኾነ ተሓቢሩ። ኣሜሪካ ወተሃደራታ ዳግም ናብ ሶማልያ ክትልእኽ ምዃና ውሳነኣ ዕላዊ ድሕሪ ምግባራ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት'ዮም ዕጡቓት ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ዘለዉ። ሶማልያ ሓድሽ ፕረዚደንት ድሕሪ ምምራጻ፡ ፕሬዝደንት ጂ ባይደን ኣስታት 500 ወተሃደራት ናብ ሶማሊያ ከም ዝልእኽ ወግዓዊ ገይሩ። ንኻልኣይ ጊዜ ዝተመረፀ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ድማ፡ ኣመሪካ ወተሃደራት ክተዋፍር ምውሳና ብእወንታ ቅቡል ከም ዝገበሮ ይዝከር። ሚንስትሪ ሓበሬታ ሶማልያ ዝዘርግሖ መግለፂ፡ \"ሞቓዲሹን ዋሺንግተንን ኣንፃር ኣልሸባብ ሓቢረን ንምቅላስ ድልዋት እየን\" ይብል። ኣመሪካ ኣብ እዋን መሪሕነት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቶም ኣብ ሶማልያ ዝነበሩ ወተሃደራታ ቅድሚ ምስሓባ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ እስላማዊ ኣሸባሪ ጉጅለ ተመሳሰልቲ መጥቃዕትታት ኣየር ትፍፅም ምንባራ ይፍለጥ። ሽዑ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብዝተኻየዱ መጥቃዕትታት ላዕለዎት መሪሕነት ኣልሸባብ ከም ዝተቐተሉ ዝግለፅ ኮይኑ፡ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝሞቱ'ውን ይዝረብ። ብዓርቢ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣስታት ሓሙሽተ ዕጡቓት እቲ ጉጅለ ከም ዝተቐተሉን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ግን ዝበፅሐ ጉድኣት ከም ዘየለን መንግስቲ ሶማልያ ኣፍሊጡ'ሎ። ብወገን ኣመሪካ ግን ብዛዕባ እቲ ተፈጺሙ ዝብሃል ዘሎ መጥቃዕቲ ኣየር ዛጊድ ዝተወሃበ መግለፂ የለን።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cx9lwkw5ek4o"} {"headline":"ህዝቢ ድምጹ ዘይህበሉ ምርጫ ሶማልያ","content":"ጐደናታት ሞቓዲሾ ሕጹያት ፕረዚደንት ሶማልያ ብዘርእዩ ዓበይቲ ሰሌዳታት ተሰሊሙ ይርአ። ነበርቲ ሞቓዲሾ፡ እቲ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት እተገብረሉ ምርጫ ዘንጸባርቝ ፖስተራት በብከባቢኡ ይርእዩ እዮም። እንተዀነ ኣብቲ ምርጫ ግን ኣይሳተፉን እዮም። ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ሶማልያ እተሓላለኸን ተዘዋዋርን ፖለቲካዊ ስርዓት ስለ እትኽተል፡ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ድማ ኣብ ምርጫ ስለዘይወዳደራ እዩ። ሓደ ሰብ ሓደ ድምጺ ዝህበሉ ምርጫ'ውን ኣይግበርን እዩ። ኣብ ክንድኡ፡ እቲ 275 መናብር ላዕለዋይ ባይቶ 'ቤተ-ህዝቢ'፡ ብዓበይቲ መራሕቲ ቀቢላታት ዝተሓርዩ ወከልትን ኣመሓደርቲ ዞባታት ዝመርጽዎም ኣባላት ሲቪክ ማሕበራትን እዩ ዝመልእ። እዞም ኣባላት ባይቶ ድማ ነቲ ሃገር ዝመርሕ ፕረዚደንት ይመርጹ። እቲ 54 መናብር ዝሕዝ ታሕተዋይ ባይቶ፣ ንሓሙሽተአን ዞባታት ሶማሊያ ዝውክል ቤት ምኽሪ'ውን፡ ነታ 16.3 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ዝመርሕ ፕረዚደንት ንምምራጽ ኣብ ዝግበር መስርሕ ይሳተፉ። ሶማልያ፡ እቲ ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ዝተናውሐ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ን15 ግንቦት ክተካይድ እያ፤ እዚ ኸኣ ካብቲ ፈለማ ዝተመደበሉ ግዜ ድሕሪ 15 ኣዋርሕ ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ። ስልጣን ሒዙ ዘሎ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ - ፎርማጆ፡ ዝርከቦም ንፈለማ ግዜ 39 ሕጹያት ክሳተፉ እዮም። እዚ ቝጽሪ ሕጹያት፡ እቲ ብዚያድ ባረ ዝምራሕ ማሕበርነታዊ ስርዓት፡ ብ1991 ካብ ዝወድቕ ንደሓር፡ እቲ ዝዓበ ምርጫ እዩ። ካብ መንጐ እቶም ሕጹያት ቅድም ፕረዚደንታት ዝነበሩ፡ ሸሪፍ ሸኽ ኣሕመድን ሓሰን ሸኽ መሓመድን፡ ከምኡ'ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበረ ሓሰን ኸይረን ይርከቡ። ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኰይና ዘገልገለት ፎዚያ ዮሱፍ ኣደም ድማ፡ እንኮ ጓል ኣንስተይቲ ተወዳዳሪት እያ። እቲ ኣብዚ እዋን እዚ፡ ፕረዚደንት ናይታ ከፊላዊ ርእሰ ምምሕዳር ዘለዋ ፑንትላንድ ዝዀነ ስዒድ ዓብዱላሂ ደኒ'ውን ካብቶም ሕጹያት ሓደ እዩ። ዝምረጽ ፕረዚደንት ንኣርባዕተ ዓመት ዘገልግል ክኸውን እንከሎ፡ ዳግም ኣብ ምርጫ ክሳተፍ ከኣ ይኽእል'ዩ። ይዅን እምበር፡ ካብ 2000 ኣትሒዙ፡ ብተዘዋዋሪ ኣገባብ ምርጫ ምክያድ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ዳግም እተመርጸ ፕረዚደንት ሶማልያ የለን። እቲ ስርዓተ ምርጫ፡ ኣብ ሶማልያ ዝርከቡ ቀቢላታት ዘለዎም ሓይሊ ዘርኢ እዩ፣ ንሳቶም ነቲ ገና ምዕራባዊ ኣገባብ ዲሞክራሲ ዘይሰረጾ ሕብረተሰብ መሰረቱ እዮም። ኣብ መንጐ ቀቢላታት ሶማልያ ብሰንኪ ዘሎ ብርቱዕ ህልኽ፡ እቲ ስርዓት፡ ማዕረ 'ምቕርሐ-ስልጣን' ብዝብል ቅማረ እዩ ዝዓዪ። በዚ መሰረት፡ እተን ኣርባዕተ ቀንዲ ቀቢላታት ማዕረ መናብር ባይቶ ክሕዛ እንከለዋ፡ እተን ዝተረፋ ድማ ነቲ ፍርቂ ኣብ መንጐአን ይማቐላኦ። እዚ ዓይነት ኣቃውማ ድማ፡ ነቶም ወከልቲ ቀቢላታት ሶማልያ ፖለቲካዊ ራእስነት ይህቦም። ኣብ ለካቲት 2021 ንዘብቅዐ ስልጣን ፕረዚደንት ፎርማጆ፡ ብሓድሽ ፕረዚደንት ንምትካኡ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ባይቶ ተሪር ህዝባዊ ጸቕጢ ክግበር ጸኒሑ እዩ። እንተዀነ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ህልኽ፣ ሰንኮፍ ምቅርራብ ዝደንጐየ ባይቶኣዊ ምርጫ፣ ሮርማጆን ምስ ሓገግቲ ኣካላት - ግን ብዘይመዝነት ምሕደራ - ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ክጸንሕ ክኢሉ እዩ። እቲ ምርጫ ካብ ታሕሳስ ክሳዕ መጋቢት ንኣርባዕተ ወርሒ እናተጓተተ ቀጸለ። ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ፡ እዚ ምርጫ ብኣጋ እንተዘይተፈጺሙ፡ ነታ ሃገር ዝገብሮ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣብ መፋርቕ ግንቦት ደው ከብሎ ከም ዝኽእል ከጠንቅቕ ጸኒሑ እዩ። ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ባይቶኣዊ ምርጫ፡ ምዕራባውያን ለገስቲ ጸቕጢ ብምግባረን፣ ኣሜሪካ'ውን ንሰበስልጣን እገዳታት ቪዛ ስለዘሕለፈት እቲ ምርጫ ክካየድ ክኢሉ'ሎ። ዋላ'ኳ ሰዓቱ ብዕሊ ኣይፈለጥ እምበር፡ እቲ ምርጫ ጽባሕ ሰንበት፡ 15 ግንቦት ክካየድ እዩ። ሶማልያ ዲሞክራሲያዊት ሃገር ክትከውን ትኽእል'ዶ? ፖለቲካውያን ሓይልታት ሶማልያ፡ ሓደ-ሰብ-ሓደ-ድምጺ ዝብል መስርሕ ምርጫ ኣብዚ ዓመት ከተኣታትዉ ኣቐዲሞም ቃል ኣትዮም'ኳ እንተነበሩ፡ መብጽዓኦም ከፈጽሙ ግን ኣይከኣሉን። እንተዀነ፡ ምዝገባ ፖለቲካዊያን ሰልፍታት፣ ከምኡ'ውን ህዝበ-ውሳነ ንምጽዳቕ ሓድሽ ቅዋም ስለዘይተኻየደ፡ እቲ መብጽዓ ክትግበር ከምዘይክእል ርዱእ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ እዚ ሓያለ ዓበይቲ ብድሆታት ኣብ ቅድመኡ ዘለዎ ሓድሽ መንግስቲ፡ ነዚ መስርሕ [ዲሞክራሲያውነት] ማዕረ ክንደይ ቀዳምነት ክህቦ እዩ ግን ክግመት ኣይከኣልን።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61447777"} {"headline":"ኣልሻባብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ 24 ሚልዮን ዶላር ኣጽዋር ዕድጊት ፈጺሙ","content":"እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣል-ሻባብ ኣብ 2021 ናይ 24 ሚልዮን ዶላር ዕድጊት ኣጽዋር ከም ዝፈጸመ ሞቓድሾ ዝመደብሩ ሂራል ዝተባህለ ጉጅለ መጽናዕቲ ሓቢሩ፡፡ ብተወሳኺ እቲ ደጋፊ ናይቲ ኣል-ቃዒዳ ዝተባህለ ዓለም ለኻዊ ጉጅለ ግብረ ሽበራ ከም ዝኾነ ዝእመን ኣልሻባብ፡ ዓመታዊ 180 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከም ዝረክብ ተገሊጹ፡፡ እቲ ‘‘ኣጽዋር ኣል-ሻባብ ካብ ቀረጽ ክሳብ ሽበራ’‘ ብዝብል ዝወጸ ጸብጻብ፡ እቲ ጉጅለ ኣጽዋር ንምርካብ ዝተፈላለዩ መንገዲታት ከም ዝጥቀም ዝሓበረ ኮይኑ ካብ ጸሊም ዕዳጋታት ውሽጢ ዓድን ከምኡ እውን ኣጽዋር ካብ ወጻኢ ብፍላይ የመን ዓዲጎም ካብ ዘቕርቡሉ ትካላት ከም ዝረክብን የረድእ፡፡ እቲ ጉጅለ ንገዚፍ ከባቢታት ሶማልያ ከም ዝቖጻጸር ዝሓበረ ሂራ ኢንስቲትዩት፡ ነቲ ህዝቢ ብምእማንን ብምግዳድን ክቕበልዎ ከም ዝገብር ኣፍሊጡ፡፡ ኣል-ሻባብ ኣጽዋር ዝረኽበሉ መንገዲ ደው ንምባል ብወሽመጥ ኤደን ኣቢሎም ዝካየዱ ምንቅስቓ ኣጽዋራት ምቁጽጻር ሓዊሱ እቲ ጉጅለ ኣጽዋር ዝረኸበሎም መንገዲታት ዝዓጽዉ ስጉምቲታት ክውሰዱ ኣለዎም እውን ኢሉ፡፡ ብእስላማዊ ሕጊ ዝመሓደር መንግስቲ ንምትካል ዝቃለስ ኣልሻባብ፡ ኣብ ሶማልያ ብርክት ዝበሉ መጥቃዕቲታት ብምፍጻም ብዙሓት ቀቲሉን ከቢድ ጉድኣት ኣብጺሑን እዩ፡፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ኬንያ እውን ዝተፈላለዩ መጥቃዕቲታት ፈፂሙ እዩ። ብ2 ሚያዝያ 2015 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ጥቓ ዶብ ሶማሊያ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ጋሬሳ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ምንባሩ ይዝከር። በቲ እዋን ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ተምሃሮ ዘነፃፀረ መጥቃዕቲ ብዕጡቓት እንትፍፀም 148 ሰባት ተቐቲሎም። ቅድሚኡ፡ ኣብ 2013 ዌስትጌት ኣብ ዝተባህለ ማእኸል ዕዳጋ ኬንያ ብዝተፈፀመ መጥቃፅቲ ብውሑድ 68 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም እዮም። ብተመሳሳሊ ኣብ ኬንያ ብ2019 ዱሲትዲ 2 ኣብ ዝተባህለ ህንጻ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ እውን ዓሰርተታት ቀቲሉ እዩ፡፡ ኣብ ዌስትጌት ኮነ ካልኦት ኣብ ዝፈፀሞም መጥቃዕቲታት ካብ ቁርኣን ሓደ ምዕራፍ ክፀርሑ ንዘይከኣሉ እናፈለየ እንትቐትል እስላም ምዃኖም ንዘረጋገጽሊ ግን ምሒርዎም እዩ። ብፍላይ ኣብ ከባቢ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ብኣል-ሸባብ ዝፍፀሙ ቀለልቲን ከበድቲን መጥቃዕቲታት ኣየቋረፁን።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60489478"} {"headline":"ሰራዊት ኣሜሪካ፡ ንምንታይ'ዩ ዳግማይ ናብ ሶማልያ ዝምለስ ዘሎ?","content":"ኣሜሪካ 500 ወተሃደራት ዳግም ናብ ሶማልያ ብምውፋር ኣንፃር ኣልሸባብ ክትቃለስ ምውሳና፡ ንሓድሽ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ዘለዋ ድጋፍ ዘመልክት እዩ። እዚ ዳግማይ ምውፋር ወተሃደራት፡ ኣብ ታሕሳስ 2020 ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ወተሃደራት ክወጽኡ ድሕሪ ምግባሩ፡ ብባይደን ዝቐረበ ሓድሽ ውሳነ ምዃኑ ይፍለጥ። ብፕረዚደንት ነበር ፋርማጆ ሕጕስ ዘይነበረ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ንምሕደራኡ ከምኡ ድማ ኣንፃር እስላማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ኣ'ሸባብን፡ ኣብቲ ኣዝዩ ንእሽተይ ዝዀነ ጨንፈር እስላማዊ መንግስቲ [ኣይ ኤስ]ን ዝወሰዶም ስጕምትታት ዕውት ብዘይምንባሩ ይነቕፎ። እቲ ሎሚ ክዋፈር ምዃኑ ወግዓዊ ዝተገበረ፡ \"እዚ ዩኤስ ኣፍሪካ (ኣፍሪኮም)\" ነታ ብመጥቃዕቲታት ኣ'ሸባብ ኣብ ስግኣት ዝጸንሐት ሶማልያ ሩፍታ ዝፈጥር ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ነቲ ብሰንኪ ውሳነ ትራምፕ ካብ ጅቡቲ እናተመላለሰ ንዝተፈጥረ ጸጥታዊ ሃጓፍ ንምምላእ ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ ሰራዊት ኣሜሪካ ረጊኡ ተልእኾኡ ክፈጽም ዕድል ዝፈጥር ምዃኑ ይግለጽ። ማእከል ስትራተጂክ መፅናዕትታት ኣፍሪቃ [The Africa Centre for Strategic Studies] ከም ዝሕብሮ፡ ሰራዊት ኣሜሪካ ድሕሪ ምውጽኡ ኣብ ዝነበረ ዓመት፡ ኣ'ሸባብ ዝፈፀሞም መጥቃዕትታት ካብ 1,771 ናብ 2,072 ዓብዩ'ሎ። እዚ ድማ 17 ሚእታዊት ምዕባዩ ዘመልክት እዩ። ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ዝተኻየደ ውግእ ብ32 ሚእታዊት ክውስኽ ከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራይ 450 ዕጡቓት ኣ'ሸባብ ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ ሶማሊያ ዝርከብ መዓስከር ወተሃደራት ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፡ ዜጋታት ብሩንዲ ንዝዀኑ 40 ወተሃደራት ከምዝቐተሉ ይፍለጥ። ክኢላታት ውድብ ሕቡራት፡ ኣ'ሸባብ፡ ኣዝዩ ሓያልን ሃብታምን፡ ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ዘለዎ ጕጅለ ከምዝዀነ ይገልጽዎ። ክሳብ 12 ሽሕ ዕጡቓት ከም ዘለውዎን ኣብ ወርሒ ኣስታት 10 ሚልዮን ዶላት እቶት ክእክብ ከምዝኽእልን ግምቶም የቐምጡ። \"ምምላስ ሰራዊት ኣሜሪካ ናብ ሶማልያ ዓቢይ ለውጢ ዘምጽእ እዩ፡\" ትብል ሰሚራ ገይድ፡ ዳይረክተር ናይቲ ኣብ ጉዳይ ፀጥታ ኣድሂቡ ዝሰርሕ ኣብ ሞቓዲሹ ዝርከብን 'ሃሪራ' ዝተበሃለ ትካል። \"ነቲ ኲናት ብዓወት ክዛዝሞ ኣይክእልን፣ እንተዀነ፡ እዚ ሓድሽ ምምሕዳር ንፀጥታን ድሕነትን ቀዳምነት ብምሃብ ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ ሰፊሕ ዕድል ዝፈጥር'ዩ፡\" ክትብል ድማ ተረድእ። እዚ ዝለኣኽ ሰራዊት ስልጠና፡ ዕማማት ምምኻርን ዕጥቅን ካብ ምሕጋዝ ብተወሳኺ፡ ንቐንዲ መራሕቲ ኣ'ሸባብ ዒላማ ዝገበሩ ስርሒታት ናይ ምፍጻም ዕማም ክህልዎም'ዩ። ቅድሚ ሎሚ ኣሜሪካ ትፍጽሞም ዝነበረት መጥቃዕትታት ኣየር፡ ንምንቅስቓሳት እቲ ጕጅለ ሽበራ ካብ ምትእጉጓሎም ብተወሳኺ፡ ምኩራት ዕጡቓቱ ከም ዝሓሰቦ ከየንቀሳቕስን ዓበይቲ ዝበሃሉ መጥቃዕትታት ከይፍጽምን ደሪቶምዎ ነይሮም። \"እቶም መጥቃዕትታት ኣየር ንሰላማውያን ሰባት'ውን ዝቐተሉ እዮም\" ትብል ተምሃሪት ዩኒቨርሲቲን፡ ኣብ 2021 ኣ'ሸባብ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኣቦኣ ዝሰኣነትን ሓሊማ ኣሕመድ። ዘይቃደዉ ሓይልታት! ኣሜሪካ እተሰልጥኖምን እተዕጥቘምን ወተሃደራት ንሓድሕዶም ክተሓጋገዙን ክተሓላለዉን ብምሕሳብ'ዩ። ኣብ ታሕሳስ 2021 ኣብ ፑንትላንድ ዘሰልጠነቶም ጸረ-ሽበራ ሓይልታት ግን ኣብ ሞንጐኦም ምክፍፋል ተራእዩ ነይሩ። እቲ ካልእ ጸገም ግን፡ ንሓይልታት ሶማሊያ ስልጠናታት እትህብን እተዕጥቕን ኣሜሪካ ጥራሕ ዘይምዃና ከምዝዀነ ይግለፅ። ኣብታ ሃገር ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ ክዳን ዝተኸደኑን ዝተሓዋወሰ ኣጽዋር ዝተዓጠቑን ወተሃደራትን ፖሊስን እዮም ዝረኣዩ። ኣሜሪካ ዘሰልጠነቶም ኮማንዶታት እቶም ኣዝዮም \"ክፉኣት\" ከምዝዀኑ ይግለፅ፤ ደናብ ወይ በርቃዊ ብርጌድ ይበሃሉ። 'ዘ ጐርጎር' ወይ ንስሪ ብዝብል ዝፍለጡ ድማ ኣብ ቱርኪ ሰልጢኖም ናብ ሞቓዲሹ ዝተመለሱ እዮም። ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ቐጠር፡ ብሪጣንያ፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኤርትራ፡ ዩጋንዳ፡ ኬንያ፡ ጅቡትን ካልኦት ሃገራትን እውን ተሳትፎ ኣለወን። እዚ ምትእትታው ብዙሓት፡ ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ጸጥታ ውህደት ዘለዎ ዕውት ስራሕ ንምፍጻም ማሕለኻ ኰይኑ ይርከብ። ኣብ ገለ እዋናት፡ እቶም ብሓንቲ ሃገር ዝሰልጠኑ ዕጡቓት ንሓደ ፖለቲካዊ ጕጅለ ጥራይ ዝወገኑሉ ኵነታት'ውን ይርአ'ዩ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyxldw2p3ywo"} {"headline":"ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማልያ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ዝተመርጸ ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሼክ ማሕሙድ ኣብ ኤርትራ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ምብጻሕ ንምክያድ ሎሚ ቀዳም ኣስመራ ኣትዩ። ፕረዚደንት ማሕሙድ፡ ምስ ኤርትራዊ መዘናኡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ። ክልቲአን ሃገራት፡ ካብ መፋርቕ 2018 ጀሚረን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናአን ብምምሕያሽ ክሳብ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ክገብራ ምብቅዐን ይፍለጥ። ኣምባሳደራት ክለዋወጣ ምዃነን መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ናይቲ ዓመት ብዝፈረምዎ ዝምምዕ ኣፍሊጦም ምንባሮም ይዝከር። ፕረዚደንት ሓሰን ሼክ ማሕሙድ፡ ኣብ መወዳእታ ግንቦት ስልጣን ኣብ ዝተረከበሉ ስነስርዓት ኣብ ዘስምዖ መደረ ኣብ ኤረትራ ዝርከቡ 5,000 ወተሃደራት ሶማልያ ብቕልጡፍ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ምዃኖም ምግላጹ ይዝከር። ቅድሚኡ ፕረዚደንት ሶማልያ ዝነበረ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ብወገኑ፡ ካብ ዝተፈላለያ ሓይልታት ጸጥታ ሶማልያ ዝተዋጽኡ 5,000 ወተሃደራት ሶማል ኣብ ኤርትራ ስልጠና ክወስዱ ከም ዝጸንሑ ንፈለማ እዋን ብወግዒ ተዛሪቡ ነይሩ። ወተሃደራት ሶማልያ ኣብቲ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ጎድኒ መንግስቲ ፌደራል ብምዃን ከም ዝተሳተፉ ዝገልጽ ዝተፈላለየ ሓበሬታታት ክወጽእ እኳ እንተጸንሐ መንግስቲ ሶማልያ ክነጽጎ'ዩ ጸኒሑ። እቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ቱርኪ በጺሑ ዝነበረ ፕረዚደንት ሶማልያ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኤርትራ ዑደት ከካይድ መደብ ከምዘሎ ተፈሊጡ’ሎ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cqvl1xw4d08o"} {"headline":"ፖለቲካ፡ ቻይና ናብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉይ ልኡኽ ምምዛዛ ሓቢራ","content":"ቻይና ናብቲ ብግጭትን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ተወጢሩ ዝርከብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉይ ልኡኽ ምምዛዛ ገሊጻ። ምኩር ዲፕሎማት ዡ ቢንግ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ከምዝተመዘዘ ማእከን ዜና ሮይተርስ ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ብምጥቃስ ጸብጺቡ። ዡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ፓፓዋ ኒው ጊኒ ኮይኑ ከግልግል ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብ ኣሜሪካን ኦሽያንያን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሃገሩ ምግልጋሉ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ሓቢሩ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዩ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ናብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ እዋን ሃገሩ ናብቲ ዞባ ፍሉይ ልኡኽ ክትምድብ ምዃና ኣፍሊጡ ነይሩ። ቤጂን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሰፊሕ ወተሃደራዊ፣ ፖለቲካውን ቁጠባውን ድልየታት ክህልዋ እንከሎ፤ ኣብ ጅቡቲ ዓቢይ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኣለዋ። ብዘይካ'ዚ ቻይና ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብቲ ዞባ ንዝርከባ ሃገራት ልዑል መጠን ዘለዎ ልቓሕ ኣለቂሓን ኣብተን ሃገራት ገዘፍቲ ፕሮጀክትታት ተካይድን ኣላ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፣ ናይ ደቡብ ሱዳንን ሶማልያን ዘይምርግጋእ ከምኡ'ውን ፖለቲካዊ ቅልውላው ሱዳን ንጸጥታ እቲ ዞባ ፈተንቲ ኮይኖም ዘለው ጉዳያት እዮም። ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ዘይምርግጋእ ዘሻቐለን ሓያላን ሃገራት ናብቲ ዞባ ፍሉይ ልኡኽ ይልእኻ ኣለዋ። ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኮይኑ ከግልግል ዝጸንሐ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፌልትማን ኣብ ቀረባ እዋን ብኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድ ተተኪኡ እዩ። ኣፍሪቃዊ ሕብረት'ውን ንፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሴጎ ኦባሳንጆ ፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጌሩ ብምሻም ነቲ ዞባ ብቅርበት ይከታተል ኣሎ። ኣውሮጳዊ ሕብረትን ሩስያን'ውን ናብቲ ዞባ ፍሉይ ልኡኽ መዚዞም እዮም።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60482829"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣስታት 200 ሽሕ ህፃናት ከቢድ ሕፅረት ምግቢ ኣጋጢምዎም-ትካላት ረዲኤት","content":"ትካል ገባሪ ሰናይ 'ሴቭ ዘ ችልድረን' ኣብ ኢትዮጵያ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ህፃናት ሕሱም ሕፅረት ምግቢ ከምዘጋጠሞም ኣፍሊጡ። ዓለማዊ ትካል ህፃናት ኣድሕን (ሴቭ ዘ ችልድረን) ከምዝገለፆ፡ ኣብ ኢትዮጵያ 185 ሽሕ ህፃናት ብሕሱም ሕፅረት ምግቢ ይሳቐዩ ኣለዉ። መብዛሕትኦም ክፋላት ኢትዮጵያ ኣብ 40 ዓመት ተራእዩ ብዘይፈልጥ ድርቂ ከምዝተጠቕዐ ዝሓበረ እቲ ትካል፡ ህፃናት ብፍላይ ድማ ሕንጦታት (ዕሸላት) ብጥሜት ይሳቐዩ ከምዘለዉ ተገሊፁ። ወኪል ናይቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ዣቪየረ ጆበርት፡ ነቲ ዝሰፍሕ ዘሎ ድርቂ ናይ ምፅዋር ዓቕሚ’ውን ብሰንኪ ጎንፅን ለበዳ ኮቪድ-19  ከምዝተዳኸመ ሓቢሩ። ኣርባዕተ ወቕትታት ዝናብ ተጨናጊፎም’ዮም፡ እቲ ሓምሻይ እውን ብኸምዚ ክሓልፍ ይኽእል’ዩ ዝበለ እቲ ትካል፡ 30 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ሓገዝ ከምዘድልዮም ኣገንዚቡ። ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ ትካል ህፃናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ)፡ ኣብ ክልላት ዓፋር፣ ኦሮሚያ፣ ኣብ ደቡብ ብሄርብሄረሰባትን ህዝብታትን ከምኡ እውን ኣብ ክልል ሶማሌ ከቢድ ድርቂ ከምዘጋጠመን ሚልየናት ንፀገም ከምዝተሳጥሑን ኣፍሊጡ ነይሩ። እቲ ትካል፡ ብሰንኪ ኣብ ኣርባዕቲኦም ክልላት ዝተኸሰተ ኣብ ኣርብዓ ዓመታት ኣጋጢሙ ዘይፈልጥ ድርቂ፡ ኣብ ልዕሊ ሸውዓተ ሚልየን ሰባት ከቢድ ፀገም ብምንፅልላዉ፡ ህፁፅ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዝድልዮም ምፍላጡ ይዝከር። ብሰንኪ'ቲ እናገደደ ዝኸደ ኩነታት፡ ብዙሓት እንስሳት ከምዝሞታን ዘራእቲ ከም ዝባደመን ይግለጽ። ብዘጋጠመ ሕፅረት ምግብን ማይን ብዙሓት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም እዮም። ካልኦት ሃገራት ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን’ውን ካብዚ ኣብ ውሽጢ 40 ዓመታት ተራእዩ ኣይፈልጥን ዝተብሃለ ድርቂ ክድሕና ኣይክኣላን። ዝተወሰኑ ከባብታት ሃገራት ኬንያን ሶማልያን በዚ ድርቂ ተጠቒዖም ኣለዉ። ሕቡራት ሃገራት፡ ኣፍሪቃ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ጥራሕ ልዕሊ ዝኾነ ኣህጉር ብሕሱም ድርቂ ከምዝተጠቕዐት ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት ኣፍሊጡ ነይሩ። እቲ ትካል፡ ሎሚ ዓመት’ውን ዝናብ ብዘይምህላው፡ 20 ሚልየን ሰባት ኣብ ስግኣት ከምዘለዉ ኣፍሊጡ። ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብሰንኪ ድርቂ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ካብ ሞንጎ ዝኣወጃ 23 ሃገራት እተን 14 ሃገራት ኣፍሪቃ እየን። ካብ 2000 ክሳብ 2019 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ካብ ሞንጎ ዝተመዝገቡ 134 ድርቃታት ኣብ ኣፍሪቃ ከምዘጋጠሙ ፀብፃብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት። እቲ ትካል፡ ኣብ ምብራቕን ቀርኒን ኣፍሪቃ ብዘጋጠመ ድርቂ 20 ሚልየን ሰባት ንሕሱም ጥሜት ክቃልዑ ይኽእሉ’ዮም ክብል’ውን ስግኣቱ ገሊፁ ነይሩ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cp3n265dyneo"} {"headline":"ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ሓድሽ መራሒ ሶማልያ መን እዩ?","content":"ሓድሽ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ንሶማልያ ክመርሕ ንመጀመርታኡ ኣይኮነን። ካብ 2012 ክሳብ 2017 ሻምናይ ፕረዚደንት ኰይኑ ነታ ሃገር መሪሑ እዩ። ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኣብ 2012፡ ንፈለማ እዋን ምስ ሃገራት ኣፍሪቃን ምዕራብን ምሉእ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ንዝነበሮ መንግስቲ ዝመርሐ እውን እዩ። እንተዀነ ኣብቲ ዝሓለፈ ዘመነ ስልጣኑ፡ ኣብታ ሃገር ሱር ንዝሰደደ ብልሽውና ክገትእ ብዘይምኽኣሉ ብዙሕ ነቐፌታ ወሪድዎ እዩ። ኣብ 2017 ደጊሙ ኣብ ዝተወዳደረሉ ምርጫ ከኣ ክዕወት ኣይከኣለን፣ ስልጣን ነቲ ሕጂ ዝሰናበት ዘሎ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ \"ፋርማጆ\" ኣረኪቡ። ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተኻየደ ምርጫ ድማ፡ ኣብታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብናዕብን ሓድሕድ ምትፍናንን እትሳቐ ዘላ ሃገር፡ ንኻልኣይ ግዜ ፕረዚደንት ብምዃን ታሪኽ ሰሪሑ። እዚ ናይ ሎሚ ምርጫ ኣብ ታሪኽ ምርጫ ሶማልያ ሓያል ንሕንሕ ዝተራእየሉን ብሰለስተ ዙር ዝተኻየደን ዘይቀጥታውን እዩ። ኣቐዲሙ፡ ኣብ ምምህርናን ንጥፈታት ሰላምን ዝዓየየ ሓድሽ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ቅድሚ ምርጫ፡ ሶማላውያን ክሓብሩን ምስ ዓለም ብሰላም ክነብሩን ምርግጋጽ ቀንዲ ዕማሙ ከምዝዀነ ክጕስጉስ ጸኒሑ። ኣብዚ ምርጫ 'ዚ ምስተዓወተ፡ ትማሊ ሰኑይ ቃለ-መሓላ ኣብ ዝፈጸመሉ'ውን ነዚ ባህጉ ካብ ምግላፅ ኣይተቘጠበን። \"ምስ ዞባዊ መንግስትታትን ዓለምለኻውያን መሻርኽትናን ብቕርበት ከምንሰርሕ ቃል ክኣትወልኩም እደሊ፡\" ኢሉ። ቃና እዚ ሓድሽ ፕረዚደንት ንዕርቂ ዝጽውዕ ክኸውን እንከሎ፡ ንዅሉ ብማዕረ ከምዘገልግል ንህዝቢ ሶማልያ ቃል ኣትዩ። ኣብቲ መወዳእታ፡ ሳልሳይ ዙርያ ምሃብ ድምጺ፡ 214 ድምጺ ብምርካብ ዓቢይ ዓወት ዝተጐናፀፈ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ 2017 ዝሰዓሮ፣ ኣብዚ ናይ ሕጂ ኸኣ 110 ድምጺ ዝረኸበ ፋርማጆ፡ ሕነኡ ፈድዩ ኣሎ። ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ጐስጓስ ምርጫ ምእንቲ ኸካይድ ኣብ ሞቓድሾ ዘሕለፈ ማሕሙድ፡ ኣብታ ሃገር ክካየዱ ቃል ዝተኣተወሎም ምርጫታት ኣብ እዋኖም ክካየዱ ክጕስጕስ ጸኒሑ እዩ። ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ፕረዚደንት ፋርማጆ መዝነቱ ብኽልተ ዓመት ንምንዋሕ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፡ ኣትሪሮም ካብ መንጐ ዝተቓወሙ ልፍንቲ ሕፁያት ተቓወምቲ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ዝሓለፈ ለካቲት 2021፡ ሕጹያት ተቓወምቲ ነቲ ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ክካየድ ወጢኖምዎ ዝነበሩ ሰልፊ ንምፍሻል፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ነቲ ዝነበሮ ሆቴል ድሕሪ ምውራሮም፡ ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ልዕለኡ ተተኲስዎ ነይሩ። እዚ ሓድሽ ፕረዚደንት፡ ሕቡራት ሃገራት መጠንቀቕታ ንዝሃበሉ ከቢድ ድርቂነ ካልእ ኣብታ ሃገር ተደጕሎም ንዘለው ዓበይቲ ብድሆታት ክፈትሕ ትጽቢት ይግበር። ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ድርቂ ቆላሕታ እንተ ዘይተገይርሉ፡ ናብ ዓጸቦ ክዓቢ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ እዩ። ብሰንኪ እዚ ድማ ልዕሊ 3.5 ሚልዮን ሶማላውያን ንኸቢድ ሓደጋ ጥምየት ተቓሊዖምን ተፀበይቲ ህጹጽ ረድኤት ክዀኑ ተገዲዶምን ኣለው። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ ኣብ ዩክረይን ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ካብ ቍጽጽር ወፃኢ ዝዀነ ዝቕባበ፡ ፍታሕ ክፈጥረሉ ትጽቢት ይግበር። ኣብ መንጐ ፈደራል መንግስትን ዞባዊ መንግስታትን እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ምትፍናን ንምጽጋን'ውን፡ ካልእ ዕዮ እዚ ሓድሽ ፕረዚደንት እዩ። እዚ ጸገም'ዚ፡ ኣብ ግዜ እቲ ፕረዚደንት ፋርማጆ'ውን ዓቢይ ኣሻቓሊ ጉዳይ ኰይኑ ዝጸንሐ እዩ። እዚ ሓድሽ ፕረዚደንት፡ ምስ ኬንያ፡ ጂቡቲን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝኣመሰላ ሃገራት ዘሎ ዝምድና ከሕድስ ከም ዝግባእ ተንተንቲ ዝገልጹ። እቲ ዝጸንሐ ምምሕዳር ፋርማጆ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ምስ ኬንያ ዝነበረ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ብምብታኽ፡ ኣብ ማያዊ ዶብ 'ሕቶ ይግብኣኒ' ብምልዓል ምስ ኬንያ ክዋጠጥ ጸኒሑ እዩ። ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ብ 1955 ኣብ ማእከላይ ግዝኣት ሂራን ተወሊዱ፣ ማእከላይ ደረጃ መነባብሮ ኣብ ዘለዎ ከባቢ ሞቓድሾ ድማ ዓብዩ። ብ 1981 ካብ ዩኒቨርሲቲ ሶማልያ ብኢንጂነሪን ተመሪቑ። ቀረብቱ ከም ዝብልዎ፡ ካብ ህንዲ- ዩኒቨርሲቲ ቦሆፓል ናይ ድሕረ ምረቓ ዲግሪ ቅድሚ ምርካቡ፡ ርጉእን ዘይዕበን መምህር ኰይኑ ዝሰርሐን እዩ ነይሩ። ካብ ህንዲ ምስ ተመለሰ ድማ፡ ኣብቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝምወል ዝነበረ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ መደብ፡ ስልጠናታት መምህራን ኣተሓባባሪ ኰይኑ ሰሪሑ። ማእከላይ መንግስቲ ሶማልያ፡ ኣብ 1991 ክወድቕ እንከሎ፡ በዓልመዚ ትምህርቲ ኰይኑ ናብ ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ተጸምቢሩ። ብኡ መሰረት ከኣ ናብ ደቡባውን ማእከላይን ሶማልያ ብምጓዓዝ፡ \"መጠን ውድቀት ጽላት ትምህርቲ\" እታ ሃገር ንኽዕዘብ ዕድል ረኺቡ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ድማ፡ ካብ ምጅማር እቲ ኲናት ንፈለማ እዋን ኣብ ሞቓድሾ መባእታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ከፊቱ። ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኣብታ ሃገር ዓሌታዊ ግጭት ክባራዕ እንከሎ፡ መሓውር ትምህርቲ ዳግማይ ንክህነጽ ወሳኒ ተራ ምስ ዝነበሮ 'ኢስላሕ' ዝተባህለ ጨንፈር 'ሕውነት እስላም' [ሙስሊም ብራዘርሁድ] ጨንፈር ሶማልያ'ውን ርክባት መስረተ። እቲ ጕጅለ፡ ምስቲ ኣብ ግብጽን ሱዳንን ዘሎ ዝመሳሰል እስላማዊ ስርዓተ ትምህርቲ ዝመሓደር ኣብያተ ትምህርቲ ዝኸፈተ'ኳ እንተዀነ፡ ነቲ ምስ ኣልቓዒዳ ምትእስሳር ዘለዎ ኣ'ሸባብን ግን ብትሪ ይዅንን። ልዙብ ዝዀነ ማእከላይ መርገጺ ዘለዎ ኣስላማይ እዩ ዝበሃል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ምስቲ ብሕድሕድ ኲናት ንዝተዳህከት ሶማልያ ሕግን ስርዓትን ንምስፋን ብዝብል ዕላማ፡ ንከባብያዊ ኣብያተ ፍርዲ ኣወሃሂዱ ዝተመስረተ፡ ሕብረት ኣብያተ ፍርዲ እስላም\" ዝምድና ኣለዎ። እዚ ሕብረት እስላማዊ `ኣብያተ ቤት ፍርዲ ኣብ 2006 ኣብታ ሃገር ተዛማዲ ሰላም ኣስፊኑ እዩ። ኣልሸባብ ኣብቲ ሕብረት ኣብያተ ፍርዲ ጽልዋ ድሕሪ ምፍጣሩ፡ ኢትዮጵያ ብዝሓደራ ስግኣት ንሶማልያ ብምውራር ስጕምቲ ምውሳዳ ይፍለጥ። ደገፍቲ እዚ ሓድሽ ፕረዚደንት፡ ንሰላምን ምርግጋእን ዝሰርሕ መራሒ እዩ ብምባል ይንእድዎ። ኣብ 1990ታት ኣብ ሲቪል ማሕበራት ንጡፍ ተሳትፎ ዝነበሮ ማሕሙድ፡ ዓሌታዊ ጐንጺታት ብምፍታሕ'ውን ይፍለጥ። ዝዓበየ ዓወቱ ዝሕሰብ፡ እቲ ኣብ 1997 ዝገበሮ፡ ብሰንኪ ምትፍናን ቀቢላታት ጐይቶት ኲናት ንሞቓድሾ ኣብ ክልተ መቒሉ ዝነበረ \"ግሪን ላየን\" ናይ ምፍራስ ግደ እዩ። እዚ ብ\"መንሽሮ ሞቓድሾ\" ዝግልጽ ዝንበረ ኵነታት፡ ኣብ ፈለማ 90ታት፡ ንነበርቲን ፖለቲከኛታትን ኣመና ኣጸጋሚ'ዩ ነይሩ። ኣብ 2001 ከኣ፡ ዕርቂ ንምፍጣር ናብ ዝሰርሕ 'ማእከል መጽናዕትን ልዝብን' ተመራማሪ፡ 'ደግመ-ህንጸት ድሕሪ ኲናት' ኰይኑ ተጸምበረ። እዚ ትካል፡ ጥቡቕ ጸግዒ ምዕራባውያን ዘለዎ እዩ ተባሂሉ ገለ ነቐፌታታት ይቐርበሉ ነይሩ እዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ግዜ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልያ፡ ኣማኻሪ ዝተፈላለያ ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኰይኑ ሰሪሑ እዩ። እቶም ንሱ ዘካየዶም መጽናዕቲታት፡ ሃገሩ ሶማልያ፡ ክንዮ'ቲ ንሰለስተ ዕቝድ ዝሓመሳ ኲናት ንኽትከይድ ሓገዝቲ ክዀኑ ይሕልን።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/61472418"} {"headline":"ሶማልያ፡ 327 ኣባላት ባይቶ ሓድሽ ፕረዚደንት መሪጾም","content":"ኣቐዲሙ፡ [2012-2017] ፕረዚደንት ሶማልያ ዝነበረ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኣባላት ባይቶ ጥራይ ኣብ ዘድመጽሉ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ ሓድሽ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኰይኑ ተመሪጹ። ንሱ፡ ነቲ ካብ 2017 ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ስዒሩ'ዩ፡ መበል ዓስራይ ፕረዚደንት ሶማል ኰይኑ ተመሪጹ ዘሎ። ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጸጥታዊ ኵነታት እቲ መስርሕ ምሃብ ድምጺ፡ ኣብ መወዳእታ ን328 ኣባላት ባይቶ ጥራይ ዝተሓጽረ'ዩ ነይሩ። ሓደ ካብኣቶም ከኣ ድምጺ ኣይሃበን። እዚ ምርጫ፡ ንኣርባዕተ ዓመተ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፋርማጆ ግዜኡ ምስ ኣብቅዐ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ዩ ክካየድ ዝግባኦ ነይሩ። ኣብቲ ትማሊ ምሸት ዝተኻየደ ምሃብ ድምጺ ሸኽ ማሕሙድ 214 ድምጺ ክረክብ እንከሎ፡ ኣብ ሳልሳይ ዙርያ መቐናቕንቱ ኰይኑ ዝቐረበ ፋርማጆ 110 ድምጺ ረኺቡ። ሰለስተ ኣባላት ባይቶ ግን እቲ ዝህብዎ ድምጺ ከም ዘበላሸውዎ ተገሊጹ። እዚ ዘይተለምደ ኵነታት፡ ጉዳይ ድሕነትን ሕጽረት ዲሞክራሲያዊ ተሓታትነትን ሶማልያ ዘርኢ'ዩ ተባሂሉ ይግመት። ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ካብ 2012 ክሳብ 2017 ፕረዚደንት እታ ሃገር ከም ዝነበረ ዝዝከር ኰይኑ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ምስ ተገለጸ ቃለ መሓላ ፈጺሙ። ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቓድሾ ደገፍቱ ሓጐሶም ንምግላጽ ጠያይት ናብ ሰማይ ተኲሶም፤ ንዝቕጽሉ ኣርባዕተ ዓመታት ድማ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ'ዩ። ኣ'ሸባብ፡ እቲ ዝዓበየ ብድሆ እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ኰይኑ፣ ሶማል ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ሓደጋ ድርቂ ኣጋጢምዋ ምህላው'ውን ካልእ ግድል እዩ። ብሰንኪ'ዚ፡ 3.5 ሚልዮን ሶማላውያን ንከቢድ ሓደጋ ጥምየት ከም ዝተቓልዑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። ንዝበዝሐ ክፋል ሶማል ካብ ቍጽጽር ኣ'ሸባብ ናጻ ምግባር ቀንዲ ዕማም እቲ ፕረዚደንት ኰይኑ፡ እዚ ምስ ኣልቓዒዳ ርክብ ዘለዎ እስላማዊ ጕጅለ፡ ዝበዝሐ ክፋል እታ ሃገር ተቘጻጺሩ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቓድሾ ከይተረፈ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት እታ ሃገር ቀጻሊ መጥቃዕቲ ይፍጽም ኣሎ። ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ፡ ነዚ ጕጅለ ንምቅላስ ብሕብረት ኣፍሪቃ ደገፍ ይግበረሉ'ዩ፣ ኣብታ ሃገር ካብቲ ሕብረትን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተዋጽኡ 18 ሽሕ ወተሃደራት ዓቃብ ሰላም ኣለው። ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ ኲናት ዩክረይን ብዝስዓቦ ቅልውላው፡ ኣብታ ሃገር ልዑል ወሰኽ ዋጋ መግብን ነዳድን ተራእዩ ኣሎ። ሶማልያ፡ ካብ 1969 ንደሓር፡ 'ሓደ ሰብ፡ ሓደ ድምጺ' ዝብሃል ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ምርጫ ርእያ ኣይትፈልጥን። ኣብቲ ግዜ ዝነበረ ምርጫ፡ ዕልዋ መንግስቲ፡ ምልካዊ ስርዓት፡ ቀቢላዊ ግጭታት፡ ሚሊሻታትን እስላማዊ ጕጅለታትን ፈጢሩ እዩ። እዚ ዘይምርግጋእ ድማ፡ ሶማል ቀጥታዊ ምርጫ ንኸይተካይድ ማሕለኻ ኰይኑ ጸኒሑ'ሎ። እቲ ሎሚ-ለይቲ ዝተኻየደ ምርጫ እምበኣር፡ ንሳልሳይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ዘይቀጥታዊ ምርጫ እዩ፤ ኣቐዲሞም ዝነበሩ ምርጫታት ኣብ ኬንያን ጅቡትን ከም ዝተኻየዱ ይፍለጥ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61461905"} {"headline":"ፕረዚደንት ሶማልያ፡ ንውሳነ ዳግመ-ምውፋር ወተሃደራት ኣሜሪካ ብሓጐስ ተቐቢልዎ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፡ መበል 10ይ ፕረዚደንት ሶማልያ ኰይኑ ዝተመርጸ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ነቲ ድሕሪ ምምራጹ ብቕጽበት ብኣሜሪካ ዝተወስደ ውሳነ ዳግመ-ምውፋር ወተሃደራት፡ ብሓጐስ ከም ዝቕበሎ ኣፍሊጡ። ብሰንበት 15 ግንቦት 2022፡ ኣባላት ባይቶ ሶማልያ ኣብ ዘካየድዎ ምርጫ፡ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ 214 ድምጺ ብምርካብ ድሕሪ ምዕዋቱ፡ ኣሜሪካ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ኣ'ሸባብ ንምውቃዕ ዒላማ ንዝገበረ ስርሒታት ንምድጋፍ፡ 600 ዝኣኽሉ ወተሃደራታ ናብ ሶማልያ ክትልኽ ምዃና ኣፍሊጣ እያ። ሶማልያ፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ብሰንኪ ምንዋሕ ቅልውላው መስርሕ ምርጫ፡ ብመጥቃዕትታት ኣልሸባብ ተዋጢራ ከም ዘላ ይንገር። ምርጫ ፕረዚደንት ሸኽ ማሕሙድ፡ ነቲ ነዊሕ ዝተጓተተ ፕረዚደንታዊ ምርጫን ብሰንኩ ዝሰዓበ ቅልውላው ምስግጋር ስልጣንን መኸተምታ ገይሩሉ'ሎ። \"ንርግኣትን ኣንጻር ግብረሽበራ ኣብ እንካይዶ ቃልሲን፡ ኣሜሪካ፡ ናይ ወትሩ እምንቲ መሻርኽትና እያ፡\" ብምባል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሶማል ኣብ ወግዓዊ ናይ ትዊተር ገጹ ለጢፉ'ሎ። ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ፡ ነቶም ንሃገራዊ ሰራዊት ሶማልያ [SNA] ስልጠና ኣብ ምሃብን፡ ኣንጻር ኣ'ሸባብ ፍሉይ መጥቃዕቲታት ነፈርቲ ኣብ ምክያድን ዝሕግዙ ዝነበሩ 700 ወተሃደራት ኣሜሪካ ካብ ሶማል ከም ዝሰሓበ ይፍለጥ። ደጋፊ መንግስቲ ኣብ ዝዀነ 'ፑንትላንድ ፖስት' ዝተዘርግሐ ዓንቀጽ ርእይቶ፡ ውሳነ ኣሜሪካ ነቲ ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ፎርማጆ ዝተገብረ ጸጥታዊ ጽገናታት ዘዳኸመ እዩ ኢሉ። ኣ'ሸባብ ነዚ ውሳነ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣመልኪቱ፡ ዛጊት ዝዀነ ግብረመልሲ ኣይሃበን፤ እንተዀነ ነዚ ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማልያ፡ \"ኵርኵር\" ክብል ገሊጽዎ'ሎ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61489974"} {"headline":"ህዝቢ ዘየድምጸሉ ምርጫ ሶማልያ ኣበይ በጽሐ?","content":"ኣባላት ተወከልቲ ህዝቢ ባይቶ ሶማልያ፡ ቃለመሓላ ክፍጽሙ እዮም። እንተዀነ ህዝቢ፡ ኣብቲ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝተጓተተ ኣህላኺ መስርሕ ምድማጽ ኣይተሳተፈን። ኣብቲ ን 16.3 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ [ሶማልያ] ንዝውክል ባይቶ ዝተገብረ ምርጫ፡ ሒደት ኣሽሓት ሰባት ጥራይ እዮም ተሳቲፎም። ምኽንያት ናይዚ፡ እታ ሃገር ዝተጠናነገን ዘይንጹርን ፖለቲካዊ ስርዓት ስለእትኽተል፣ ተቓወምቲ ሰልፊታት ድማ ንዝካየዱ ምርጫታት ብዙሕ ግዲ ስለዘይብሎምን ስለዘይወዳደሩን እዩ። 'ሓደ-ሰብ-ሓደ-ድምጺ' ዓይነት ምርጫ ድማ ገና ተኻይዱ ኣይፈልጥን። ብኣንጻሩ፡ እቲ 275 መናብር ላዕለዋይ ባይቶ 'ቤተ-ህዝቢ'፡ ብዓበይቲ መራሕቲ ቀቢላታት ዝተሓርዩ ወከልቲን፣ ኣመሓደርቲ ዞባታት ዝመርጽዎም ኣባላት ሲቪክ ማሕበራትን እዩ ዝመልእ። እዞም ኣባላት ባይቶ ድማ ነቲ ሃገር ዝመርሕ ፕረዚደንት ይመርጹ። እቲ 54 መናብር ዝሕዝ ታሕተዋይ ባይቶ፣ ንሓሙሽተአን ዞባታት ሶማሊያ ዝውክል ቤት ምኽሪ'ውን፡ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ይሳተፍ እዩ። እዚ መርኣያ ሓይለ-ስልጣን ቀቢላታት [ክላን] ሶማሊያ ኰይኑ፤ ንሳቶም ነቲ 'ምዕራባውያን ዘሰጉምዎ ዓይነት-ዲሞክራሲ ገና ዘይሰረጾ ሕብረተሰብ' ዓንዲ ዘቝሙ እዮም። ኣብታ ሃገር፡ ብዚያድ ባረ ዝምራሕ ዝነበረ ማሕበረነታዊ ስርዓት ኣብ 1991 ድሕሪ ምውዳቝ፡ ግቡእ ዝዓዪ መዋቕራት መንግስቲ ብሰንኪ ዘይምጽንሑ፡ ንዝተፈጥረ ሃጓፍ'ውን መሊኦምዎ እዮም ጸኒሖም። ኣብ መንጐ ቀቢላታት ሶማልያ ብሰንኪ ዘሎ ብርቱዕ ህልኽ፡ እቲ ስርዓት፡ ማዕረ 'ምቕርሐ-ስልጣን' ብዝብል ቅማረ እዩ ዝዓዪ። በዚ መሰረት፡ እተን ኣርባዕተ ቀንዲ ቀቢላታት ማዕረ መናብር ባይቶ ክሕዛ እንከለዋ፡ እተን ዝተረፋ ድማ ነቲ ፍርቂ ኣብ መንጐአን ይኻፈለኦ። እዚ ዓይነት ኣቃውማ ድማ፡ ነቶም ወከልቲ ቀቢላታት ሶማልያ ፖለቲካዊ ራእስነት ይህቦም። መብዛሕትኦም እዞም ኣባላት ባይቶ እምበኣር፡ ሓሙስ [14 መጋቢት 2022] ቃለ-መሓላ ክፍጽሙ እዮም። እንተዀነ፡ ኣብ ገሊኡ ዞባታት፡ ብሰንኪ ኣብ ጉዳይ ቅቡልነት ዝቐረቡ ሕጹያትን ካልእን ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ፡ ምርጫ ገና ኣይተፈጸመን ዘሎ። እዚ ግን ነቲ ስነስርዓት ማሕላ ዘደናጕዮ ኣይመስልን። እዚ ምርጫታት፡ ከቢድ ብልሽውና፡ ስልጣን ብዘይኣግባብ ምጥቃም፡ ሕግታት ምርጫ ምጥሓስን ካልእን ዘሰነዮ ምዃኑ ይንገር። ኣብ ገለኡ ጉዳያት፡ ወከልቲ ንምድላል ማእለያ ዘይብሉ ዶላራት ከም ዝጠፍአ እዩ ዝእመን። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ድማ ኣብታ ሃገር ዝቘመ ትካል ጸረ-ብልሽውና የለን። ቐጠር፡ ቀንዲ ተዋሳኢት ፖለቲካዊ ህይወት ሶማሊያ እያ። ተነተንቲ ከም ዝብልዎ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ዓብዱላሂ ፎርማጆ ኣብ 2017 ዘካየዶ ጐስጓስ፡ ምርጫ ወጻኢታቱ ብቐጠር እዩ ተሸፊኑ፤ ኣብ ምምሕዳሩ'ውን ገዚፍ ሓለፋ እዩ ዘለዋ። ኣብ ለካቲት 2021 ንዘብቅዐ ስልጣን ፕረዚደንት ፎርማጆ፡ ብሓድሽ ፕረዚደንት ንምትካኡ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ባይቶ ተሪር ህዝባዊ ጸቕጢ ክግበር ጸኒሑ እዩ። እንተዀነ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ህልኽ፣ ሰንኮፍ ምቅርራብ ዝደንጐየ ባይቶኣዊ ምርጫ፣ ሮርማጆን ምስ ሓንጸጽቲ ሕጊ - ግን ብዘይመዝነት ምሕደራ - ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ክጸንሕ ክኢሉ እዩ። ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ባይቶኣዊ ምርጫ፡ ምዕራባውያን ለገስቲ ጸቕጢ ኣብ ዝገበራሉ፣ ኣሜሪካ'ውን ንሰበስልጣን እገዳታት ቪዛ ኣብ ዘሕለፈትሉ ክካየድ ክኢሉ'ሎ። ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ፡ እዚ ምርጫ ብኣጋ እንተዘይተፈጺሙ፡ ነታ ሃገር ዝገብሮ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣብ መፋርቕ ግንቦት ደው ከብሎ ከም ዝኽእል ከጠንቅቕ ጸኒሑ እዩ። ሓድሽ መንግስቲ ሶማልያ ምስ ቈመ፡ ነዚ ኣብታ ሃገር ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ደርቂን ካልኦት ዓበይቲ ብድሆታትን ብህጹጽ ክገጥሞም ትጽቢት ይግበር። ሓደጋ ደርቂ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት እናበኣሰ ክመጽእ ከም ዝጸንሐን፡ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ከኸትል ምዃኑን ትካላት ረዲኤት የጠንቅቓ። ልዕሊ 3.5 ሚልዮን ህዝቢ ሶማሊያ፡ ህጹጽ ረዲኤት መግቢ ይደሊ፤ 1.4 ሚልዮን ህጻናት ድማ ንጕድለት ሓኖኽ [malnutrition] ተቓሊዖም ኣለው። ኣብ ሶማልያ፡ ድሌት ምዕራባውያን እንታይ እዩ? ንምዕራባውያን ዝያዳ ዘተሓሳስቦም ዘሎ፡ ምሕያል እስላማዊ ሓይልታት እዩ። እቲ ምስ ኣልቓዒዳ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ዝነገረሉ፡ ሓደገኛ ምንቅስቓስ ኣብ ኣፍሪቃ ምዃኑ ዝግመት፡ ኣልሸባብ፡ ማእከሉ ሶማልያ እዩ። ቅድሚ ክልተ ዕቝድ ኣቢሉ፡ ንሕብረት እስላማዊ ኣብያተ ፍርዲ ካብ ስልጣን ንምእላይ ተባሂሉ፣ ብአሜሪካ እናተደገፈ ንመቓድሾ ዝገስገሰ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢትዮጲያ፡ ቀንዲ ጠንቂ ምዕባይን ምስፍሕፋሕን ኣልሸባብ ከም ዝዀነ ይንገር። ስዕረት ሕብረት እስላማዊ ኣብያተ ፍርዲ፡ ንኣልሸባብ ሓይሊ ክድልብ ኣኽኢልዎ እዩ፤ 'ወረርቲ' ግሒጥና ከነውጽኦም ኣለና፡ ዝብል ቃና ሒዙ ድማ ክንቀሳቐስ ጀመረ። ኣብዚ እዋን፡ ኣልሸባብ ብዙሕ ከባቢታት ሶማሊያ ተቈጻጺሩ'ሎ፤ ነዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ንምውዳቕ ዓሊሙ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን መጥቃዕቲታት ይገብርን፡ እስላማዊ ሕግታት ይተክልን ኣሎ። ኣልሸባብ፡ ነቲ 'ዘይእስላማዊ' ዝበሎ ኣብ 2012 ከምኡ'ውን 2016 ዝተኻየዳ ምርጫ ንዝተሳተፉ መራሕቲ ቀቢላታት ክኹንን፡ ከፈራርሕን፡ ንገለ'ውን ክጨዊ ተራእዩ ነይሩ። ኣብዚ እዋን ግን፡ ዝሃቦ ግብረመልሲ ዳርጋ የለን። እዚ ኸኣ፡ ኣባላቱ ወይ ተደናገጽቱ ብምስጢር ኣብ ባይቶ ክኣትዉን፡ 'ነቲ ስርዓት ካብ ውሽጢ ምቅላሱን ምስዓሩን' ብዝብል፡ ዕድል ረኺቦም ከይህልዉን ስግኣት ፈጢሩ'ሎ። ብዛዕባ'ዚ፡ ኣብ 2020፡ ፕረዚደንት ጂቡቲ ዑመር ገለ፡ \"ብተዘዋዋሪ፡ [ወመዳእትኡ] ኣ'ሸባብ ብዝቈጻጸሮ ባይቶ ኢና እንጠፍእ ኢለ እየ ዝፈርሕ፣ ምኽንያቱ ደገፍ ገለ ኣባላት ባይቶ ረኺቡ ኣሎ፡\" ክብል ብዓውታ ዝገለጾ መርኣያ ናይቲ ተጻዊዱ ዘሎ ስግኣት እዩ። ገለ ተንተንቲ፡ እዚ ኣገላልጻ ፕረዚደንት ዑመር፡ ኣ'ሸባብ ኣብ ባይቶ ሶማልያ ብዛዕባ ክረግጽ ዘሎ ተኽእሎ፡ ዘጋነነ ኣቀራርባ እዩ ኢሎም ይወቕስዎ። ኣ'ሸባብ፡ ገዚፍ ፖለቲካዊ ጽልዋ ከም ዘለዎ ግን ዝከሓድ ኣይኰነን። ሶማልያ፡ ዲሞክራሲያዊት ሃገር ክትከውን ትኽእል ዶ? ፖለቲካውያን ሓይልታት ሶማልያ፡ ሓደ-ሰብ-ሓደ-ድምጺ ዝብል መስርሕ ምርጫ ኣብዚ ዓመት ከተኣታትዉ ኣቐዲሞም ቃል ኣትዮም'ኳ እንተነበሩ፡ መብጽዓኦም ከፈጽሙ ግን ኣይከኣሉን። እንተዀነ፡ ምዝገባ ፖለቲካዊያን ሰልፍታት፣ ከምኡ'ውን ህዝበ-ውሳነ ንምጽዳቕ ሓድሽ ቅዋም ስለዘይተኻየደ፡ እቲ መብጽዓ ክትግበር ከምዘይክእል ርዱእ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ እዚ መዓት ዓበይቲ ብድሆታት ኣብ ቅድመኡ ዘለዎ ሓድሽ መንግስቲ፡ ነዚ መስርሕ [ዲሞክራሱያውነት] ማዕረ ክንደይ ቀዳምነት ክህቦ እዩ ክግመት ኣይከኣልን።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61116750"} {"headline":"ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ነብሲወከፍ 48 ካልኢት ሓደ ሰብ ብጥሜት ናይ ምሟት ሓደጋ ከምዘንፀላለዎ ተገሊፁ","content":"ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ነብሲወከፍ 48 ካልኢት ሓደ ሰብ ብጥምየት ናይ ምሟት ሓደጋ ኣንፀላልይዎ ከምዘሎ ኦክስፋምን ሴፍ ዘ ችልድረንን ኣጠንቒቖም። ክልቲኦም ትካላት ግብረሰናይ ሎሚ ብሓባር ኣብ ዘውፅእዎ ፀብፃብ፡ ብድርቂ ኣብ ዝተጠቕዓ ሃገራት ኢትዮጵያ፥ ኬንያን ሶማልያን እቲ ሓደጋ ሞት ዘጋጠመለን ምዃነን ኣፍሊጦም። ኦክስፋምን ሴቭ ዘ ችልድረንን ነቲ መፅናዕቲ ጃሚኤል ኦብዘርቫቶሪ' ምስ ዝተባህለ ትካል ብምትሕብባር ከምዘካየድዎ ገሊፆም። በዚ መሰረት፡ ኣብ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣስታት ፍርቂ ሚልየን ሰባት ዓፀቦ ኣብ ዝመስል ኵነታት ይርከቡ።፡ ኣብ ኬንያ ድማ 3 ነጥቢ 5 ሚልየን ሰባት ብኸቢድ ጥምየት ይሳቐዩ ከምዘለዉ እቲ ፀብፃብ የመልክት። ብፍላይ ኣብ ሰለስቲአን ሃገራት ቁፅሪ ንኸቢድ ጥምየት ዝተቓልዑ ሰባት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝነበረ 10 ሚልየን፡ ኣብዚ ዓመት ናብ 23 ሚልየን ክብ ከምዝበለ እውን ቀንዲ ርኽበታት እቲ ፀብፃብ ገሊፁ። እቶም ትካላት ከምቲ ኣብ 2011 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ ሶማልያ ልዕሊ 260 ሽሕ ሰባት ዝቐተለ ዓይነት ዓፀቦ ከየጋጥም ዓብዪ ስግኣት ሓዲርዎም ከምዘሎ እዮም ዘጠንቅቑ። በቲ ኣብ 2011 ኣብ ሶማልያ ዘጋጠመ ጥምየት ካብቶም ዝሞቱ ልዕሊ 260 ሽሕ ሰባት እቶም ልዕሊ ፍርቂ ትሕቲ 5 ዓመት ዕድሚኦም ህፃናት እዮም ነይሮም። እዚ ፀብፃብ፡ ነዚ ሓደጋ ቀንዲ ምኽንያታት ዝወበሎም'እውን ኣቐሚጡ'ሎ። ክሊማዊ ለውጢ ዘስዓቦ ድርቂ፣ ብምኽንያት ጎንፅታት ሰባት ካብ ቤቶም ምፍንቓሎምን ኮቪድ-19 ዘስዓቦ ቁጠባዊ ቅልውላውን ከም ምኽንያታት ዘቐመጠ ኮይኑ፡ ኲናት ዩክረይን ዘስዓቦ ናህሪ ዋጋ ምግቢ እውን ነቲ ፀገም ከምዘጋደዶ ሓቢሩ። ካብዚ ብተወሳኺ ንህፁፅ ሓገዝ ኣብ ዝተገበረ ናይ ድጋፍ ፃውዒት እውን\" ብዘሕዝን ኩነታት\" ዝተረኸበ ሓገዝ ኣዝዩ ንኡሽተይ ከምዝኾነ እቲ ፀብፃብ ጠቒሱ። ከም ኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለገስቲ 1 ነጥቢ 4 ቢልዮን ዳላር ንምሃብ ቃል ኣትዮም ነይሮም። እንተኾነ 778 ሚልየን ዳላር ጥራሕ ከምዝተረኸበ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ኦክስፋም ግሬት ብሪተይን ጆን ፓላስቶው፡ \"ዋላኳ ተደጋጋሚ መጠንቀቕታታት እንተተውሃበ መራሕቲ ዓለም ካብ ምድንጓይ ወፃኢ ዝሃብዎ ምላሽ ንኡሽተይ ብምዃኑ ብሚልዮን ዝቑፀሩ ሰባት ንጥምየት ክቃልዑ እዮም\" ኢሉ። እዚ ኦክስፋምን ሴቭ ዘ ችልድረንን ዘውፅእዎ ፀብፃብ፡ ንመንግስታት ሃገራት ምብራቅ ኣፍሪቃ እውን እዩ ዝወቀስ። እቲ ዝበፅሐ ፀገም ብእዋኑ ኣሚኖም ንምቕባል ፍቓደኛታት ስለዘይኮኑ ንምድንጓይ እቲ ግብረ መልሲ ንሳቶም እውን ሓላፍነት ከምዘለዎም ገሊፁ። ብተወሳኺ፡ እቶም መንግስታት ኣብ ሕርሻን ማሕበራዊ ውሕስናን ትኹረት ብምግባር ዜጋታቶም ነቲ ጥምየት ክፃወሩ ዝኽእልሉ ዕድል ከምዘይፈጠሩ ይሕብር። ስለዚ መንግስታት ንፖለቲካ ዘይኮነስ ንህይወት ደቂ ሰባት ቀዳምነት ክህቡን እዋን ሓደጋ ብምእዋጅ ሃብቲ ኣኪቦም ንዝተፀገሙ ዜጋታቶም ክሕግዙን ፀዊዑ ኣሎ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61500351"} {"headline":"ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማልያ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ወተሃደራቱ ብቕልጡፍ ክምለሱ ምዃኖም ሓቢሩ","content":"ትማሊ ሰኑይ ስልጣን ዝተረከበ ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሼክ ማሕሙድ ኣብ ኤረትራ ዝርከቡ 5,000 ወተሃደራት ሶማልያ ብቕልጡፍ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ምዃኖም ሓቢሩ። ንሱ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ እቶም ወተሃደራት \"ናብ ሃገሮም ተመሊሶም እጃሞም ከበርክቱ ምእንቲ\" ከም ዝሰርሕ ተዛሪቡ። ስልጣኑ ዘረከበ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ኣቐዲሙ ኣብ ዘስምዖ ቃል ካብ ዝተፈላለያ ሓይልታት ጸጥታ ሶማልያ ዝተዋጽኡ 5,000 ወተሃደራት ሶማል ኣብ ኤርትራ ስልጠና ክወስዱ ከም ዝጸንሑ ንፈለማ እዋን ብወግዒ ተዛሪቡ። ንሱ ኣስዒቡ እቶም ወተሃደራት ስልጠንኦም ኣብ መፋርቕ ናይ ዝሓለፈ ዓመት እኳ እንተዛዘሙ ብሰንኪ እቲ ኣብታ ሃገር ሰፊኑ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ወጥሪ ክምለሱ ከም ዘይከኣሉ ሓቢሩ። እቶም ወተሃደራት ንኽንደይ ግዜ ኣብ ኤርትራ ከም ዝጸንሑ ግና ኣየነጸረን። ወተሃደራት ሶማልያ ኣብቲ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ጎድኒ መንግስቲ ፌደራል ብምዃን ከም ዝተሳተፉ ዝገልጽ ዝተፈላለየ ሓበሬታታት ክወጽእ እኳ እንተጸንሐ መንግስቲ ሶማልያ ክነጽጎ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። ምክትል ሓላፊ ትካል ድሕነትን ጸጥታን ሶማልያ ዝነበረ ኣብዲሳላን ዩሱፍ ጉለድ፡ ኣብ መጀመርታ ናይ 2021 ምስ ሓንቲ ናይ ብሕቲ ራድዮ'ታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ወተሃደራት ሶማልያ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተወለዐ ኲናት ከም ዝተሳተፉን ኣስታት 400 ካብኦም ከም ዝቐተሉን ተዛሪቡ ነይሩ፡፡ ሚኒስተር ሓበሬታ ሶማልያ ዑስማን ኣቡበከር ዱቤ ግና፡ ነቲ ክሲ ነጺግዎ፡ እታ ሃገር ብሰንኪ ክሰጋገር ዝጸንሐ ምርጫ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ፖለቲካዊ ምትፍናን እያ ተሸሚማ ጸኒሓ። ካብ 2012 ክሳዕ 2017 ፕረዚደንት ኮይኑ ዘገልገለ ማሕሙድ ሸኽ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ምርጫ ንፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ብምስዓር ዳግማይ ነታ ሃገር ክመርሕ ተመሪጹ ኣሎ። ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ ብቴለቪዥን ብቐጥታ ካብ ቤተመንግስቲ ቪላ ሶማልያ ዝተመሓለለፈ መደብ ምርኽኻብ ስልጣን ኣፈጉባኤ ላዕለዋይን ታሕተዋይን ባይቶታት እታ ሃገርን ሓይልታት ምክልኻልን ተረኺቦም ነይሮም። እቲ ወግዓዊ ጽንብል ኣብ ወርሒ ሰነ ክኻየድ ትጽቢት ይግበር።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61547633"} {"headline":"329 ሰባት ጥራይ ዝሳተፍዎ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማል","content":"ሎሚ ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማል፡ ዝስዕብ ፕረዚደንት እታ ሃገር መን ምዃኑ ዝውሰነሉ መስርሕ'ኳ እንተዀነ፡ እቲ ካብ ዝተመደበሉ ግዜ ኣመና ዝተናውሐ ምርጫ ግን፡ 329 ኣባላት ባይቶ ጥራይ ዝሳተፍሉ'ዩ። እዚ ዘይልሙድ መስርሕ፡ ኵነታት ድሕነትን ሕጽረት ዲሞክራሲያዊ ተሓታትነትን እታ ሃገር ዘርኢ'ዩ። ካብቶም ተወዳደርቲ ኰይኖም ቀሪቦም ዘለው 39 ሕጹያት ዝዕወት፡ ምስቲ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ፡ ብድሆ ሓያል ድርቂ ክገጥም ትጽቢት ይግበር። እቲ ዝዓበየ ግድል ግን፡ ንዝበዝሐ ክፋል ሶማል ካብ ቍጽጽር ኣ'ሸባብ ናጻ ምግባር'ዩ። እዚ ምስ ኣልቃዒዳ ርክብ ዘለዎ እስላማዊ ጕጅለ፡ ዝበዝሐ ክፋል እታ ሃገር ተቘጻጺሩ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቓድሾ ከይተረፈ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት እታ ሃገር ቀጻሊ መጥቃዕቲ ይፍጽም ኣሎ። ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፡ ነዚ ጕጅለ ንምቅላስ ብሕብረት ኣፍሪቃ ደገፍ ይግበረሉ'ዩ፣ ኣብታ ሃገር ካብቲ ሕብረትን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተዋጽኡ 18 ሽሕ ወተሃደራት ዓቃብ ሰላም ኣለው። ሶማል፡ ካብ 1969 ንደሓር፡ 'ሓደ ሰብ፡ ሓደ ድምጺ' ዝብሃል ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ምርጫ ርእያ ኣይትፈልጥን። ኣብቲ ግዜ ዝነበረ ምርጫ፡ ዕልዋ መንግስቲ፡ ምልካዊ ስርዓት፡ ቀቢላዊ ግጭታት፡ ሚሊሻታትን እስላማዊ ጕጅለታትን ፈጢሩ እዩ። እዚ ዘይምርግጋእ ድማ፡ ሶማል ቀጥታዊ ምርጫ ንኸይተካይድ ማሕለኻ ኰይኑ ጸኒሑ'ሎ። እቲ ሎም-መዓልቲ ዝካየድ ምርጫ እምበኣር፡ ንሳልሳይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ዘይቀጥታዊ ምርጫ እዩ፤ ኣቐዲሞም ዝነበሩ ምርጫታት ኣብ ኬንያን ጅቡትን ከም ዝተኻየዱ ኸኣ ይፍለጥ። ካብቶም 39 ሕጹያት እቲ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ \"ፋርማጆ\"፡ ክልተ ኣቐዲሞም ፕረዚደንታት ዝነበሩ፡ ሸሪፍ ሸኽ ኣሕመድ ሓሰንን ሸኽ መሓመድን ከምኡ'ውን ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ሓሰን ዓሊ ኸይረን ይርከብዎም። ኣብ ርእሲኦም፡ ፕረዚደንት ዞባ ፑንትላንድ ሰይድ ዓብዱላሂ ወሲኽካ እዞም ኣርባዕተ ሕጹያት ካብቶም ክምረጹ ዝለዓለ ግምት ተዋሂብዎም ዘሎ ተወዳደርቲ እዮም። ተወዳደርቲ፡ ፖለቲካዊ ርግኣት ከምጽኡ፡ ድሕነት እታ ሃገር ከመሓይሹን ቁጠባዊ ዕረያታት ክገብሩን ምዃኖም ድማ ተመባጺዖም ኣለው። ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኰይና ዘገልገለት ፎዚያ ዮሱፍ ኣደም ድማ፡ እንኮ ጓል ኣንስተይቲ ተወዳዳሪት እያ። እዚ ምርጫ፡ ንኣርባዕተ ዓመተ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፋርማጆ ግዜኡ ምስ ኣብቅዐ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ዩ ክካየድ ዝግባኦ ነይሩ። እንተዀነ፡ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ምትፍናንን ዘይምርግጋእን ተደናጉዩ፣ እቲ ፕረዚደንት'ውን ኣብ ስልጣን ቀጺሉ። እቶም ብሓያላት ቀቢላታት እታ ሃገር ዝተመርጹ ልኡኻት ኣባላት ባይቶ፡ ሎሚ መዓልቲ ንዝቕጽል ኣርባዕተ ዓመት ነታ ሃገር ዝመርሕ ፕረዚደንት ክመርጹ'ዮም። እዞም ወከልቲ፡ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማሊያ [ኣትሚስ]ዝርከበሉ ብጽኑዕ ዝሕሎ ወተሃደራዊ መዓስከር 'ሃላኔ' ተኣኪቦም ድምጾም ክህቡ'ዮም። ኣብዚ ብምስጢር ዝወሃብ ድምጺ፡ ሓደ ዕውት ቅድሚ ምምራጹ ድማ ብተደጋጋሚ ዝግበር ድምጺ ናይ ምሃብ መስርሕ ክህሉ'ዩ። እቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርሕ ምሃብ ድምጺ ዝወደቑ ሕጹያት፡ ደገፍቶም ንኻልእ ሕጹይ ክመርጹ ክገብሩ'ዮም። ኣብ ዝሓለፉ ምርጫታት፡ ሕጹያት ንደገፍቶም ገንዘብ ብምሃብ ድምጺ ይገዝኡ እዮም ዝብሉ ክስታት ይቐርበሎም ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ምርጫ፡ ኣል-ሸባብ መጥቃዕታት ንምፍጻም ከፈራርሕን፡ ኣብቲ 'እስላማዊ ዘይኮነ ምርጫ' ተሳቲፎም ብዝብል መራሕቲ ቀቢላ ከም ዝጨወየን ይፍለጥ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብዛዕባ እቲ ምርጫ ዝበሎ ነገር ግን የለን። እንተዀነ ኣባላት ወይ ደገፍቲ እቲ ጕጅለ ብምስጢር ካብ ውሽጢ፡ ነቲ መንግስቲ ንምድኻም ባይቶኣዊ መናብር ሒዞም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይስጋእ። እዚ ስግኣት፡ ብ2020 ፕረዚደንት ጅቡቲ ዑመር ገለ ብግልጺ ተዛሪብ'ዎ'ዩ። \"ድጋፍ ገለ ኣባላት ባይቶ ምርካብ ክኢሎም ስለ ዘለው፡ ብኢደ-ዙር ኣ'ሸባብ ዝተቘጻጸሮ ፓርላማ ክህሉ'ዩ ኢለ እሰግእ፡\" ምባሉ ይዝከር። ገለ ተንተንቲ ግን፡ እቲ ፕረዚደንት ነቲ ኵነታት ኣጋኒንዎ እዩ ይብሉ። እቲ ዝዓበየ፡ ቀጻሊ ስግኣት ኣ'ሸባብ ኰይኑ፡ ሶማል ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ሓደጋ ድርቂ ኣጋጢምዋ ምህላው'ውን ካልእ ግድል እዩ። ብሰንኪ'ዚ፡ 3.5 ሚሊዮን ሶማላውያን ንኽቢድ ሓደጋ ጥምየት ከም ዝተቓልዑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። ኣርባሕቲ እንስሳ፡ ጥሪቶም ስኢኖም ህይወቶም ንምድሓን ናብ ከተማታት ይስደዱ ኣለው። ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ ኲናት ዩክረይን ብዝስዓበ ቅልውላው፡ ኣብታ ሃገር ልዑል ወሰኽ ዋጋ መግብን ነዳድን ተራእዩ ኣሎ። ኣብ ዝቕጽሉ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ሶማል ዲሞክራሲያዊ ምርጫ ክተካይደሉ ናብ እትኽእል ምዕራፍ ንምስግጋር ዘኽእላ ሕገ መንግስታዊ መስርሕ ክዛዘም ዝግበር ጸቕጢ'ውን ኣሎ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/61454751"} {"headline":"ድርቂ ሶማልያ፡ 350 ሽሕ ህጻናት ከይሞቱ ተሰጊኡ","content":"ሰብ ሞያ ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ሶማልያ ካብዝተርኣዩ እቲ ዝኸፍአ ዝበልዎ ድርቂ እንተጋጥም ኣደታት ደቀን ክምግባ ዓቐብ ኮይንወን፥ ህፃውንቲ ድማ ማህሰይቲ ይበዝሖም ኣሎ። ኒምኮ ኣብዲ ትበሃል። ጓል ሽዱሽተ ወርሒ ዕሸል ሓዚላ እያ ካብ ሞቃዲሹ 500 ኪሜ ርሒቑ ናብ ዝርከብ ሉቅ ማእከል ምርግጋእ ሕፅረት መግቢ መፂያ። ናብኡ ምስመፀት ከምኣ ምስዝበለት ካልእ ኣደ ንክልተ ኣብ ሓንቲ ዓራት ክዓርፋ ተገይረን። ኒምኮ ጓላ ኣዝያ ቀጣን፣ ኣዒንታ ዝጠሓሉ፣ ካብ ምቕጣና ዝተልዓለ ኣዕፅምታ ንደገ ዝወፁ፣ ቈርበታ ድማ ዝፀምለወን ዝተጨማደደን እዩ። ‘ጡብ የጥቡባ ነይረ። ዳሓር ግን ብሰንኪ ሕፅረት ምግቢ ሓሚመ። እሳ’ውን ኣዝያ ምስ ቀጠነት ሒዘያ መፅየ። ኣብዚ እንተንኣሰ ፀባን መድሓኒትን ኣይትስእንን።’ ትብል ኒምኮ። ኒምኮ ጓላ ክተምዝና ከላ 4 ኪሎ ጥራሕ እያ ኾይና። እዚ ማለት ካብቲ ክትምዝኖ ዝግብእ ዳርጋ ብፍርቂ ይትሕት። ታሪኽ ኒምኮን ዕሸላን ናይ ብዙሓት ኣደታት ታሪኽ እዩ። ብሰንኪ ሕፅረት መግቢ እዚአን ብርክት ዝበላ ኣደታትን ምስ ደቀን ንሞት ተቓሊዐን ይርከባ። ‘ዝኾነ ነገር እንተተዘይገሩ ክረምቲ ክመፅእ ከሎ ንዝኸፍአ ሕፅረት ምግቢ ካብዝተቓልዑ 1.4 ሚልየን ህፃውንቲ እቶም 350,000 ክሞቱ ከምዝኽእሉ ይግመት።’ ክብል ኣብ ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት [ኦቻ] ዝሰርሕ ኣዳም ኣብደልሙላ የጠንቅቕ። ‘ኣብዚ ሃገር 70 ሚእታዊ ህፃውንቲ ትምህርቶም ኣቋሪፆም እዮም። ንኣብነት ኣብ ክልል ጁባ ላንድ 40 ቤት ትምርቲታት ብሰንኪ ድርቂ ተዓፅየን እየን። ካልኦት ክልላት እውን ተመሳሳሊ ዕጫ እዩ ዝፅበየን።’ ክብል ዝገልፅ ኣዳም ኣዋላድ ወለደን ክቕልብወን ስለዘይከኣሉ ጥራሕ ሓዳር ክምስርታ ይግበራ ከምዘለዋ ይሕብር። ዝባደማ ቁሸታት ሉቅ ማእከል ምርግጋእ ሕፅረት መግቢ ናይ ምትእንጋድ ዓቕሙ 18 ሰብ እንተኾነ’ውን ልዕሊ 50 ህፃውንቲ ምስ ኣዴታቶም እናተኣናገደ ከምዘሎ ኣብቲ ማእከል ትሰርሕ ነርስ ፋጡማ መሓመድ ትገልፅ። ‘ካብ ዓቕምናን ካብቲ ዓቕሚ ማእከልን ብላዕሊ እናተኣናገድና ኢና ዘለና። መሳርሕታት ሕክምና’ውን እናወዳእና ኢና። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዝኸፍአ ጭንቀት ንርከብ።’ ትብል ፋጡማ። ‘እተን ኣደታት ዘምፅእዎም ህፃውንቲ ብዝኸፍአ ሕፅረት መግቢ ዝተሃሰዩ እዮም። መብዛሕትኦም ድማ ብርቱዕ ውፅኣትን ተምላስን ከምኡ’ውን ንፍዮ ዝሓመሙ እዮም።’ ገለ ካብቶም ዕሸላት ኣዝዮም ዝደኸሙ ስለዝኾኑ ኣብ መገዲ ዝሞቱ እውን ኣለዉ። እዚ ማእከል እዚ ኣብ ሶማልያ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ብዝተወሰነ ደረጃ ጥራሕ ዘርእይ እዩ። እቲ ድርቂ 4.5 ሚልየን ሰባት ፀልይዎም እዩ ዘሎ። ኣብ ሶማልያ እቲ ዝዓበየ ፈለግ ጁባ ዋላ ሓንቲ ጥር ትብል ማይ የብሉን። 700,000 ዝኾኑ ሰባት ንዓታቶምን ንእንስሳታቶምን ዝኾን ማይ ክደልዩ ቁሸቶም ሓዲጎም ክመዛበሉ ግድን ከምዝኾኖምን እዚ ቁፅሪ ድማ እናወሰኸ ይኸድ ከምዘሎን ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት የመላኽት። ኣብ ሶማልያ ኣርባዕተ ወቕቲ ዝናብ ስለዘይዘነበ 90 ሚእታዊት እታ ሃገር ነቒፁ እዩ። ሓያል ዋዒ እውን ኣሎ። ኣብ ገጠራት ኣብ ዝርከቡ መገዲታት ሬሳታት እንስሳ፥ ዝሞታ ኣጣል፣ ኣእዱግን ኣግማልን፥ ብኣብዝሓ ይርኣዩ እዮም። እዚ ድማ ንቶም እንስሳት ብምዕባይን ብምሻጥን ድራር ዕለቶም ንዝረኽቡ ሶማልያውያን ኣዝዩ ሓደጋ ኣለዎ። ዋጋ መግቢን ማይን እናንሃረ ይርከብ። ሰባት ረድኤት ክደልዩ ናብ ከተማታት ክመፁ ከለዉ እተን ቁሸታቶም ይባድማ ኣለዋ። ዝቐረዩ እንተሃልዮም ዝናብ ክሳብ ዝዘንብ ወይ ደቆም ማይ ክሳብ ዘምጽኡሎም ዝፅበዩ ኣረጋውያን ጥራሕ እዮም። ቁፅሪ እቶም ካብ መረበቶም ዝመዛበሉ ሰባት እውን ብሓያሎ እናወሰኸ እዩ ዝርከብ። እዚ ዝኾን ዘሎ ድማ ገሊኦም ሰባት ካብቲ ኣብ 2017 ዘጋጠመ ድርቂ ገና ኣፀቢቖም ከይሓወዩ እንተለዉ ምዃኑ እዩ። እቲ ድርቂ ኣብ ሶማልያ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ክፋላት ዓለምን ከይቀረየ ፅልዋ ዘሕድር እዩ። እቶም ርብዒ ዝኾኑ ኣፍሪቃውያን ንቅልውላው ውሕስነት ምግቢ ተቓሊዖም ከምዝርከቡ ዓለም ለኸ ኮሚተ ቐይሕ መስቀል ይሕብር። እዚ ቅልውላው ጥሜት ግና ብሰንኪ ኵናት ሩስያን ዩክረይንን ተዓብሊሉ እኹል ትኹረት፣ ግቡእ ረድኤትን ሓገዝን ክረክብ ኣይክኣለን። እቲ ዝኸፍአ ነገር ገና እዩ ካብ ሉቅ ንሰሜን ገፅ ብኣማኢት ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ጋልካዮ ዝበሃል መዓስከር ኣሎ። ናይ ሸውዓተ ወርሒ ነፍሰፁር ዝኾነት ሃዋ ፋርጎድ ምስ ክልተ ኣንኣሽቱ ደቃ ብዕንጨይቲ ተሰሪሓ ብዝኣረጉ ክዳውንቲ ኣብ ዝተሸፈነት ኣጉዶ እያ ትነብር። ሃዋ ሓዊ ካብ ትእጉድ ግና ዘመናት ሓሊፎም። ከምኣ ካብ ዝመስሉ ጎረባብታ ሓንቲ ሃዋ ሻሪፍ ሓሙሽተ ደቃ ሒዛ ኣብ ዓረብያ ኣድጊ ተሰቒላ ናብቲ መዓስከር ዝገበረቶ ጉዕዞ ክትገልፅ ከላ ኣብቲ መዓስከር ምስ በፅሑ እታ ኣድጊ ሽዑ ንሽዑ ከምዝሞተት ትዛረብ። \"ካብ ሞት ዝተረፈት ናይ መወዳእታ እንስሳና እታ ኣድጊ እያ ነይራ። እቶም ካልኦት ኩሎም ሞይቶም እዮም\" ትብል። እዚ ድርቂ ስድራቤታት ንክፈላለዩ ኣገዲዱ እዩ። ሰብኡት ስራሕ ክደልዩ ናብ ከተማታት እንትኸዱ ኣንስቲ ምስ ደቀን ረድኤት ናብ ዝርከበሉ ቦታታት ክጓዓዛ ግድን ኮይንወን። ኣብ ሶማልያ ዝኸፍአ ቅልውላው ሓገዝ ኣሎ ዝብሉ ናይ ግብረ ሰናይ ትካላት ኣብታ ሃገር ካብ ዘድልይ ሓገዝ 3 ሚእታዊ ጥራሕ ከምዘለዎም ይገልፁ። ማይ ዝፀዓና መኻይን፣ ቀረብ መግቢን ረድኤት ሕክምናን ክልእኹ ይፅዕሩ ኣለዉ። ይኹን እምበር እዚ ንኹሉ ሰብ ክባፃሕ ዝኽእል ኣይኮነን። ተወሳኺ ሓገዝን ወፈየን እንተዘይተረኺቡ ኣብ ዝቕፅሉ ሰሙናት እውን ምብፃሕ ዝከኣል ኣይኮነን። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ትፅቢት ዝግበረሉ ዝናብ ገማግም ዝለዝኾነ እቲ ዝኸፍአ ነገር ገና ከይመፅእ ዓብዪ ስግኣት ኣሎ። 350,000 ህፃውንቲ ክድሕኑ እንተኾይኖም ስጉምቲ ክውሰድ ዘለዎ ሕዚ እዩ። ሃዋ ፋርጎ እዚ መፃኹ ዝብል ዘሎ ናይ ጥፍኣት ስምዒት ኣፀቢቓ ትፈልጦ ነገር እዩ። ዝሓመሙ ቆልዑ ሒዛ፥ ንሳ ባዕላ’ውን ምስ ሕማም ኵሊት እንትቃለስ ከላ ብዛዕባ መፃኢ ኩነታት ተስፋ ኣይትገብርን እያ። ‘ፍርሐይ ብዛዕባ ደቀይ እዩ’ ድማ ትብል።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61077310"} {"headline":"ኣብ ነፍሲ ወከፍ 11 ደቒቕ ሓንቲ ሰበይቲ ብሰብኣያ ወይ ዘመዳ ትቕተል- ሕቡራት ሃገራት","content":"ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 11 ደቒቕ ሓንቲ ሰበይቲ ብስብኣያ ወይ ድማ ብኣባል ስድራ ከምእትቕተል ተዛሪቡ። እቲ ዝኸፍአ ድማ፡ እቲ ቅትለት እተን ደቂ ኣንስትዮ 'ድሕነቱ ዝተሓለየ' ኢለን ኣብ ዝኣምናሉ ኣብ ገዛውተን ዝፍጸም ምዃኑ እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ካብ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓንቲ ጾታዊ መጥቃዕቲ በጺሕዎ ከም ዝፈልጥ ድማ ወሲኹ ተዛሪቡ። ዓመታዊ ዳህሳስ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከባሉ ኩነታታት (Status of Women) ኣመልኪቱ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ \"ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ኣብ ዓለም እቲ ዝነውሐን ዛሻቕልን ለበዳ\" እዩ ክብል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተሬስ ተዛሪቡ። ጾታዊ መሰረት ዝገበሩ መጥቃዕቲ ታት ንምትራፍ፡ ተራ ደቂ ተባዕትዮ እንታይ ክኸውን ይግበኦ ዝብል ኣብቲ መድረክ ተልዒሉ ነይሩ። \"መጥቃዕቲ ንምክልኻል፡ እቲ ፈላማይ ስጉምቲ ልቢ ደቂ ተባዕትዮ ምቕያር እዩ። እቲ ጸገም ዝፈጥሩ ዘለው ንሳቶም እዮም። እቲ ጸገም ደው ከብልዎ ዝኽእሉ ድማ ደቂ ተባዕትዮ እዮም\" ኢሉ ጉቴሬዝ። ጉቴሬዝ ኣብ ዝገበሮ ዘረባ፡ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ተባዕታይ \"ኣብ መስተዋት ጠጠው ኢሉ ዕብለላ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ሱር መሰረቱ ምሒኻ ንምንቃል ቃል ክኣቱ ኣለዎ\" ኢሉ። ወሲኹ'ውን፡ \"ሓደገኛ ስምዒታት ልዕልና ደቂ ተባዕትዮ ንምጥፋእ፡ ባህሊ ዝጽዕኖ ዝንቡዕ ኣረኣእያ ንምቕራፍ፡ ከምኡ 'ውን ንዘመናት መንቀሊ መጥቃዕቲ ዝኾነ ኣድልዎ ንምዕጋት ንባዕሉ ቃል ክኣቱ ኣለዎ\" ኢሉ። ጾታዊ መጥቃዕቲ ንምክልካል፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዛዕባ ጥዑይ ተባዕታይ (positive masculinity) ዛጊድ ን880 ሺሕ ደቂ ተባዕትዮ ኣምሂሩ ኣሎ። ነዞም ደቂ ተባዕትዮ፡ ጎንጺ ብሰላማዊ መገዲ ብኸመይ ምእላይ ከም ዝከኣልን ጥዑይ ርክብ ብኸመይ ምፍጣር ከም ዝከኣል ግንዛበ ተዋሂብዎም። እንተኾነ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ እዚ ክሰራሕ ከም ዘለዎ ሓቢሩ። ሕድሕድ ኣባላት ሃገራት፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ጠጠው ዘብልሉ ኣንፈት ክነድፉ'ውን ሓቲቱ። ፈንድ ስነ ህዝቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኤንኤፍፒኤ) ን 'ኢኳሊቲ ናው' ከም ዝብልዎ ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ መጥቃዕቲ ምምሕያሻት ኣርእያ ኣላ ይብል። ኣብታ ኣህጉር ዝተርአየ ምምሕያሻት መጠን ምኽንሻብ ዘካትት እዩ። እዚ እቶም ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝሰርሑ ሰብ ውራይ ተጣሚሮም ብምስርሖም ዝመጽአ ለውጢ'ዩ ተባሂሉ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ 11 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝድህስስ ኮይኑ፡ ዝኾነ ይኹን ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝድህስስ እዩ። እዘን 11 ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ቡርኪናፋሶ፣ ጒኒ፣ ኬንያ፣ ላይቤሪያ፣ ማሊ፣ ሴኔጋል፣ ሴራሊዮን፣ ሶማሊያ፣ ታንዛንያን ኡጋንዳን እየን። ዝተረፉ ሃገራት ኣፍሪቃ ዛጊድ ምኽንሻብ ብሕጊ ኣይኣገዳን። ኣብ 'ኢኳሊቲ ናው'፡ ሓላፊት ደው ምባል ጎዳእቲ ልምድታት ኣሴናት ሚትሀይ \"ምኽንሻብ ብሕጊ ክእገድ፣ ፖሊሲ ክቕረጽ፣ ሃገራዊ ትልሚ ክንደፍ በጀት ክምደብን ዕቱብ ፖለቲካዊ ቆራጽነትን የድሊ\" ኢላ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60860871"} {"headline":"ብደቂተባዕትዮ ንዝተዓብለለ ስራሕቲ 'ድርሰት' ዝቕይራ ዘለዋ ሶማልያውያን ጸሓፍቲ","content":"ኣብ ቀረባ እዋን ምስታ ሽልማት ዝወሰደት ጸሓፊት ኡባ ክሪስቲና ዓሊ ፋራህ ኣብ ደሴት ጣልያን ሲሲሊ ኣብ ዝተዳለወ ፌስቲቫል ቤተ-ንባብ ተራኺብና ኔርና። ኣባል ናይቲ ንሶማሊያውያን ደቂኣንስትዮ ደሓፍቲ ዝሓቁፍ ማሕሕበር እያ። እዚ ማሕበር ነታ ኣብ ቀረባ ‘ዘ ፎርቹን ማን’ ብዝብል ድርሰታ ንሽልማት ‘ማን ቡከር’ ተሓጽያ ዝነበረት ናዲፋ ሞሓመድ እውን ብኣባልነት ይሓቁፍ። ሶማሊያ ንነዊሕ ክፍለዘመናት “ናይ ገጠምቲ ሃገር” ብዝብል ትፍለጥ’ኳ እንተጸንሐት ነቲ ዓውዲ ብዋናነት ዝቆጻጸእዎ ግን ደቂተባዕትዮ ነይሮም። ሶማሊያዊት ጓልኣንስተይቲ ዛንታ ወይ ድርሰት ክትጽሕፍ ዝተለመደ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋን ግን ኣብ ማሕበረሰብ ሶማሊያውያን ዳያስፖራ ክዕብልላ ጀሚረን ኣለዋ። ክርስቲና ዓሊ ፋራህ ከምዝበለትኒ እዚ ካብ ሶማሊያ ወጺአን ዝርከባሉ ህይወት ነቲ ኣብ ውሽጠን ዘሎ ናይ ስነጽሑፍ ባህጊ ከውጽአ “ሰፊሕ ዕድል” ይፈጥረለን። ዝተረስዑ ድምጽታት ክርስቲን ዓሊ ፋራህ ብ1970ታት ካብ ሶማሊያዊ ኣቦን ጣሊያናዊት ኣዶን ኣብ ቬሮና ጥልያን ተወሊዳ። ኣቡኣ ዝሓሸ ዕድል ትምህርቲ ንምርካብ’ዩ ካብ ሶማሊያ ወጺኡ ነይሩ። ደሓር ድማ ሓዳሽ ነጻ ሃገር ንምምስራት ስድርኡ ሒዙ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ። ኣብ ከተማ ሞቓዲሹ ዝዓበየት ክርስቲን ብቋንቋታት ሶማሊን ጥልያንን ተማሂራ። ምንባብ እትፈትውን መዓልታዊ ተጓንፎታት ኣብ ‘ዲያሪኣ’ [መዘክራ] ምስናድ እትፈትውን ነይራ። ኣብ 1991 ከኣ ጓል 18 ዓመት ኮይና ኣብ ሶማሊያ ኲናት ሓድሕድ ብምውልዑ ስድርኣ ዳግም ካብታ ሃገር ክወጽኡ ተገዲዶም። ብድሕሪኡ ናብ ጣልያን ተመሊሳ ምንባር ቀጸለት። ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ኣብ ቤልጂየም ትነብር። ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሶማሊያውያን ካብ ሃገሮም ተሰዲቶም ወጺኦም። እቲ ዘሕለፍዎ ተሞክሮ ከኣ ንኽትጽሕፍ ኣለዓዒልዋ። ብፍላይ ድማ ናይ ደቂኣንስትዮ ዛንታታት። እተን ደቂኣንስትዮ እቲ ጎንጺ ኣብ ቅድሚ ዓይነን ይካየድ ብምንባሩ እንታይ ከምዝተፈጸመ ዝተፈለየ “ተዘክሮ” ኣለወን ትብል። እትጽሕፈሉ ምኽንያት ድማ ደቂኣንስትዮ ሶማሊያ “ንኸይርስዓ” ብዝብል ከምዝኸነ ተረድእ። “ቀንዲ ሕቶታተይ ‘ኣብቲ ዝተወለድካሉ ቦታ ዘሎ ኩሉ ነገር እንተዓንዩ እንታይ እዩ ዝፍጠር? መቦቆልካ ንምፍላጥ እንታይ ኢኻ ክትገብር? ንምንባርከ እንታይ ትገብር?’ ዝብሉ ነይሮም” ትብል። ‘ሊትል ማዘር’ ዝብል ርእሲ ዘለዎ ፈላሚ ድርሰታ ኣብ 2007 ዝተሓተመ ኮይኑ፤ ብኣጋጣሚ ኣብ ኣውሮጳ ንዝተራኸባ ክልተ ደቂሓትኖ መሰረት ዝገበረ ዛንታ የዘንቱ። ሶማሊኛ ንክፍለዘመናት ንመዘራረቢ እምበር ንጽሑፍ ኣይወዓለን ጸኒሑ። ኣብ 1972 ድማ ብናይ ላቲንፊደላት ናብ ጽሑፍ በቒዑ። እዚ ከኣ ኣብ ስነጽሑፍ እታ ሃገር ዓብዪ ትርጉም ዘምጽአ ኮይኑ። ድርሰታት ናይ ምጽሓፍ ልምዲ ዝጠጥዐሉ ዕድል ኣብ ደገ ብዝርከቡ ተወለድቲ እታ ሃገር ክኸውን ከሎ፤ መሰረቶም ግን ካብቲ ካብ ወለዶታት እናተሰጋገረ ዝመጽአ ኣፋዊ ልምዲ እዩ። ብወለዲ ዝመቻቾ መርዓ እታ ጸሓፊት ‘ለ ስታዚዮኒ ዴላ ሉና’ (Phases of the Moon) ማለት ‘ገጻት ወርሒ’ ዝብል ርእሲ ዝሃበቶ ሓድሽ መጽሓፋ ንምልላይ ኣብ ዋና ከተማ ሲሲሊ - ፓሌርሞ ትርከብ። እቲ ዛንታ ድማ ሶማሊያ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ሕቡራት ሃገራት ንዝነበረትሉ እዋን መሰረት ዝገበረ ኮይኑ፤ ንናጽነት ንዝገብር ቃልሲ የዘንትው። እዚ መጽሓፍ ንምጽሓፍ ዘለዓዓላ ድማ ኣበነብሲ ድርሰት ሶማሊ ብዝብል ዝፍለጥ ኑረዲን ፋራህ ከምዝኾነ ትገልጽ። ‘ፍሮም ኤ ክሩክድ ሪብ’ ዝብል ርእሲ ኣብ 1970 ዝጸሓፎ መጽሓፍ ንሓንቲ ብጉስነት እትናበር ‘ኢልባ’ ዝብል ስም ዝሃባ ገጸ-ባህርይ መሰረት ይገብር። ንሳ ወለዳ ካብ ዘምጽኡላ ሓዳር ሃዲማ ናብ ከተማ ሞቓዲሹ ትኣትው። ናብኡ ከይዳ ድማ ካብ ደቂተባዕትዮ ብዝበጽሓ ብድሆታት ትፍተን። ክርስቲና ዓሊ ፋራህ እውን ኣብ መጽሓፋ ንዘላ ገጸ-ባህርያ ልክዕ ከምታ ናይ ኑረዲን ‘ኢልባ’ ኢላታ’ላ። “ንዝኽሪ ኑረዲን እዩ” ክትብል ድማ ምኽንያታ ነጊራትኒ። ኣብ ድርሰታ ዘላ ኢልባ ግን ናብቲ ንደቂኣንስትዮ ሶማሊያ ዘመናዊ ዕድላት ዝሓዘ ናጻ ዝኾነ ዓለም’ያ ትሃድም። “ስነጽሑፍ ማለት ምስ ካልኦት ጽሑፋትን ድርሰታትን ምዝርራብ ማለት’ዩ” እትብል ክርስቲና እቲ ዝርርብ ድማ ኣብ ሞንጎ ሎምን ሕሉፍን ከምዝኾ ተረድእ። ብጽሑፋታ ኣቢላ ድማ ኣብ ሞንጎ ደቂኣንስትዮን ደቂተባዕትዮን ዝርርብ ክካየድ ትገብር። እዚ ዕድል ኣብ ጋህዳዊ ዓለም ሶማሊያ ዝተለመደ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋን ንሳ ዝረኸበቶ ዓወትን ካልኦት ከምኣ ዝበላ ጸሓፍቲ ዝደርስኦም መጻሕፍትን፤ ድሕሪ ሕዚ ደቂኣንስትዮ ሶማሊያ ከይዛረባ ድምጸን ዝዕፈናሉ ኩነታት ከምዘይህልው ኣረጋጊጾም ኣለዉ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58868833"} {"headline":"ሶማሊያ፡ ኣብ ቲክቶክ ንሞ ፋራሕን ትሬቨር ኖህን ሓዊሱ ሚሊዮናት ዝጸለወት ኒምኮ ሃፒ","content":"ሽም ኒምኮ ሃፒ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣዝዩ ዝተፈልጠን ኣብ ዓለም ሚሊዮናት ዝፈተውዎን'ዩ። እቶም ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ወጻእ ዘለው ህዝብታት ዓለም ግን ቅድሚ ሓደ ወርሒ'ዮም ብዛዕብኣ ሰሚዖም። ኣብዚ መበል 21 ክፍለ ዘመን ሓድሽ ዝብሃል ታሪኽ ኣለዋ። እቲ 'Isii Nafta' ብዝብል ዝሰመየቶ ብናይ ኢንግሊዘኛ 'I Love You More Than My Life' ዝብል ትርጉም ዝተዋህቦ ብ2017 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ዝሰርሐቶ ሙዚቃ ኣዝዩ ፍሉጥ ኮይኑ ኣሎ፤ ንዕኣ'ውን ህቡብነት ኣምጺኡላ። ኣብ ሶማሊያ መርዓ ተደጊሱ፡ እዚ ደርፊ ከይተኸፍተን በዚ ሙዚቃ ከይተጎየለን ኣይውጻእን። ብወርሒ ጥሪ፡ ኣብ ቲክቶክ ጸላዊ ዝኾነ ኢንግሊዛዊ-ሶማሊያዊ ኣካፊ ዓሊ ኣብ ሓደ መርዓ ብደርፊ እናተላህየ ዝተቐርጾ ምስሊ ጠቂዑ። ኣብዚ ደርፊ ዘሎ ሓደ ሰሓቢ ነገር ድማ ቐልቢ ብዙሓት ሰዓብቱ ክገዝእ ስለ ዝኽኣለ፡ ኣብ መዓልቲ ሓደ ሚሊዮን ሰባት ርእዮምዎ። ሕጂ ዝተፈላለዩ ሰባት ደርፊ ኒምኮ እናደረፉ ቐሪጾም ዝዘርግሑዎም ልዕሊ 100 ሽሕ ቪድዮታት ኣብ ኦንላይን ኣለው። ኣመሪካዊ ራፐር ካርዲ ቢ፣ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኮሜዲያን ትሬቨር ኖህ፣ ኢንግሊዛዊ- ሶማሊያዊ ኣትሌት ሞ ፋራሕ ሓዊሱ ብዙሓት ፍሉጣት ሰባት'ውን ተመሳሳሊ ቪድዮ ተቐሪጾም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ንሰዓብቶም ኣካፊሎም። እዚ፡ ደርፊ ኒምኮ ካብቲ ብተመሳሳሊ ምስቲ ብዙሕ ዘይፍለጥ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ስነ ጥበባዊ ማስተር ኬይጂ ዝሰርሖ ደርፊ ጀሩሳሌም ዝለዓለ ተቐባልነት ዝረኸበ ደርፊ ንላዕሊ በቒዑ ኣሎ። ጀሩሳሌም፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ብዙሓት ተጠቀምቲ ቲክቶክ ይቀባበልዎ ከም ዝነበረ ይዝከር። ሙዚቃ 'Isii Nafta' ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ዓለምን ኩነታትን ንዘለው ሰባት ምንጪ ሓጎስ ክኾኖም እንከሎ ብፍሉይ ሶማሊያውያን ዝሕበንሉ፣ ጽቡቕ ስምዒት ክስምዖምን ክፍለጡን ዝገበረ ኮይኑ ኣሎ። ኒምኮ መን'ያ? ብዛዕባ እዚ ህቡብነት እንታይ ትብል? ብዙሕ ቃለ መጠይቕ ሂባ ኣይትፈልጥን። ኣብ ቀረባ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ግን ኣብዚ ማሕበራዊ ሚዲያ ጸላዊት ምዃና ዝፈለጠትሉ ኣጋጣሚ ኣብሪሃ። \"ኣብ ገዛይ'የ ነይረ። ሓደ ዩትዩበር ኣብ ናቱ ገጽ ብዙሓት ሰባት ከም ዝርኣዩዎ ዝገልጽ ቪድዮ ልኢኹለይ። ንበዓል ቤተይ ነጊረዮ፤ 'ሙዚቃኺ ብዙሕ ስ ርእዩዎ ኣሎ' ይብለኒ። 'ኣይተረድአንን፤ ከመይ?' ኢለዮ። \"ኣይተጸበኹዎን፤ ዳርጋ ሕልሚ'ዩ። ክኣምኖ ኣይክኣልኹን!። ኩል ግዜ ይምነ ነይረ፤ ግን ክኣ ካብ ዝዝርጋሕ ብዙሕ ግዜ ዝገበረ ስራሕ ክንድዚ ዝኣክል ሰፊሕ ተቐባልነት ክረክብ'ዩ ዝብል ግምት ኣይነበረንን\" ኢላ። ኒምኮ፡ ኣብ ሞቓድሾ ተወሊዳ። ግን ድማ ኣብ ሃርጌሳን ርእሰ ከተማ ኬንያ ዝኾነት ናይሮቢን'ያ ዓብያ። ካብ ስነ ጥበባዊ ዝኾነ ስድራቤት'ያ መጺኣ፤ መብዛሕትኦም ገጠምቲ። ካብ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ድማ ሙዚቀኛ ኮይና። ኣብ ናይሮቢ 'Fan-dhis' ኣብ ዝተባህለ ባንድ ሙዚቃ ኣባል ነይራ። ሓደ መዓልቲ፡ ብ2017 ንበዓል ዒድ ኣብ ዝተዳለወ ፕሮግራም ቴሌቪዥን ሙዚቃ ክተቕርብ ተዓዲማ። \"እዚ ናይ ፍቕሪ ሙዚቃ ክደርፍ [Isii Nafta] ዓዲሞምኒ። ኣነ ኽኣ ፈትየዮ፤ ንሶማሊያውያን ብኽልተ ቋንቋ ሓዊስኻ ምድራፍ ኽኣ ሓድሽ ስለ ዝነበረ ጽቡቕ ነይሩ\" ትብል። Isii Nafta - ቋንቋታት ኢንግሊዘኛ፣ ስዋሂሊን ዓረብን ዝሓወሰ ደርፊ'ዩ። ሕጂ ብዙሓት ሰባት ነዚ ሙዚቃ እናደረፉን እናተለሃዩን ብዝተፈላለዩ መገዲታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከቕርቡዎ ምርኣያ ኣዝዩ ከም ዘሐጎሳ ትዛረብ። \"ሕጉሳት ሰባት ክርኢ ከለኹ ደስ ይብለኒ፤ ኣብ ባንዴራ ሶማልያ ጠቕሊሎምኒ ኣለው። ብኣይ ሕቡናት ከም ዝኾኑን ሶማሊያ ክትፍለጥ ገይርኺ ኢኺ እናበሉን የመስግኑኒ። ንሶማልያ ይፈትዋ'የ፤ ወትሩ ሽም ሶማሊያ ኣብ ርእሰይን እንግድዓይን ጸይረ'የ ዝኸይድ\" ትብል። ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ ፖሊዶር ሪከርድስ ፈሪማ ኣላ። \"ኢንሻ ኣላህ፡ መደባት ኣለውኒ። ብቋንቋ ሶማል ክደርፍ'የ። ነቶም ብደረጃ ዓለም ዝንእሱኒ ዘለው ሰባት ክኣ ንዝሃብኹምኒ ክብሪ የቐንየለይ ይብሎም\" ትብል።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59364110"} {"headline":"ኬንያ ነቲ ኣብ ማያት ሰላማዊ ውቅያኖስ ምስ ሶማልያ ዘሰሓሕባ ዘሎ ከባቢ ብዝምልከት ንዝወሃብ ብይን ከም ዘይትቕበሎ ኣፍሊጣ","content":"ኬንያ ነቲ ምስ ሶማልያ ዝጸንሓ ምስሕሓብ ማያዊ ዶብ ብዝምልከት ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ብዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ፍትሒ ክወሃብ ትጽቢት ዝግበረሉ ብይን ከም ዘይትቕበሎ ኣፍሊጣ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ብይን “መዛዘሚ ናይቲ መስመሩ ዝሰሓተ መስርሕ ፍርዲ” ምዃኑ ብምግላጽ ኣድልዎ ዘለዎ ምዃኑ ከሲሱ። ኬንያ ኣብ ምጅማር ናይዚ ዓመት ኣብቲ መስርሕ ፍርዲ ፍትሓውነት ከም ዘየሎ ብምግላጽ ካብቲ መስርሕ ኣንሳሒባ እያ። ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ኣብ ዝርከብ 160 ሽሕ ትርብዒት ሜትር ስፍሓት ዘለዎ ማያዊ ግዝኣት ክሰሓሓባ ጸኒሐን ኣለዋ። እቲ ከባቢ ብነዳድን ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ሃብታም ምዃኑ ይግመት። ብሰንኪ እቲ ጉዳይ እተን ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ ተሸሚመን እየን። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ናብቲ ቤትፍርዲ ኣንጻር ኬንያ ጥርዓን ምቕራብ፡ እቲ ቤትፍርዲ’ውን ዘይምልከቶ ጉዳይ ምርኣዩ፡ ንመሬታዊ ሓድነት ንምንእኣስ ዝተገብረ ናይ ይምሰል መስርሕ ፍርዲ ዘመልክት’ዩ” ሶማልያ እቲ ማያዊ ዶባት ንኣንፈት እቲ መሬታዊ ዶባት ስዒቡ ትኽ ኢሉ ከም ዝቕጽል ብምግላጽ ነቲ ጉዳይ ኣብ 2014 እያ ናብ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ፍትሒ ወሲዳቶ። ኬንያ ግና እቲ ማያዊ ዶብ፡ ካብቲ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ገምገም እቲ ውቅያኖስ ካብ ዝራኸበሉ ተበጊሱ ጋድም ሕንጻጽ ኮይኑ ከም ዝቕጽል እያ ትምጉት። ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ፍትሒ 12 ጥቅምቲ ብይን ክህብ ትጽቢት ይግበር።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58854758"} {"headline":"ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ሕጽረት ዝናብ ሚልዮናት ንኸቢድ ጸገም ውሕስነት መግቢ ተቓሊዖም","content":"ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፍላይ ኣብ ምብራቓዊ ኬንያ፣ ደቡባዊ ሶማሊያን ኣብ ገለ ከባብታት ኢትዮጵያን ክወቅዕ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝናብ ምእኹል መጠን ስለዘይተረኸበ ከቢድ ጸገም ውሕስና መግቢ ከምዘጋጠመ ኣብ ውድብ ሕቡራት ቤት ጽሕፈት መተሓባባሪ ሰብኣዊ ሓገዛት (ኦቻ) ኣፍሊጡ። ኣብቶም ከባብታት ትሑት ፍርያት፣ ምድራቅ ጥሪት ዝምገባሉ ሰውሒ (መጋሃጫ) ወሰኽ ዋጋ ኣእካልን ከምዝተረኣየ ድማ ወሲኹ ሓቢሩ። ከም ኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን ካብ ወርሒ መስከረም 2021 ኣብ ኢትዮጵያ 401 ሽሕን 313 ሰባት ከምኡ’ውን ኣብ ሱዳን 108 ሽሕ ዜጋታት ንሕሱም ጸገም ውሕስና መግቢ ከምዝተቓልዑ ዘመልከተ ኦቻ፤ ኣባላት ኢጋድ ኣብ ዝኾና ሃገራት ብሓፈሻ ልዕሊ 29 ሚልዮን ሰባት ኣብ ከቢድ ጸገም ሕጽረት መግቢ ከምዝርከቡ ኣመልኪቱ። ብተወሳኺ 8.3 ሚልዮን ሰባት ሕጽረት ህጹጽ ሓገዝ መግቢ ኣጋጢምዎም ኣሎ። ኣብ 2020 ነተን ኣብ ኢጋድ ዝጥርነፋ ሃገራት ን3.5 ሚልዮን ትሕቲ 5 ዓመት ዝርከቡ ህጻናት ህጹጽ ሓይሊ ወሃቢ መግቢ ዝቐረበ ኮይኑ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን እቲ ብዝሒ ክውስኽ ከምዝኽእል እቲ ትካል ገሊጹ። ኣብ ርእሲ እቲ ብተኸታታሊ ዘጋጠመ ሕጽረት ዝናብ፡ ግጭታት፣ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፣ ማሕበረ-ቁጣባዊ ጽዕንቶታት፣ ወራር ዕስለ ኣንበጣን ካልእን እቲ ጸገም ንኽጋደድ ምኽንያት ከምዝኾኑ ተሓቢሩ’ሎ። ካብ ጥቅምቲ ክሳብ ታሕሳስ ክወቅዕ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ መጠን ዝናብ እውን ምንካይ ክህልው ከምዝኽእል ትንበያታት የመልክቱ። ስለዝኾነ ቅልጡፍ ሓገዝ ክግበር እንተዘይኪኢሉ ኣብቶም ሕጽረት መግቢ ዝተኸሰተሎም ከባብታት ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ሶማሊያን እቲ ጸገም ውሕስና መግብን ዝተመጣጠነ መግብን እናበኣሰ ምምጽኡ ከምዘይተርፍ ኦቻ ኣጠንቂቑ። ኣብቲ ከባቢ ብ2011 ከምኡ’ውን 2017 ተመሳሳሊ ጸገም ኣጋጢሙ ምንባሩ ብምዝኽኻር ብፍላይ ኣብ ሶማሊያ የጥምየት ንኽክሰት ምኽንያት ከምዝነበረ ሓቢሩ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58896931"} {"headline":"ኣባላት ስድራ ተሰዊራ ዘላ ኣባል ስለያ ሶማልያ፡ ፕረዚደንት ፋርማጆ ንዘቖሞ ኮምሽን ነጺጎም","content":"ኣባላት ስድራቤት ናይታ ሃለዋታ ተሳኢኑ ዘሎ ኣባል ስልያ ሶማልያ፡ ኢክራን ታሕሊል፡ ጉዳያ ንምጽራይ ብፕረዚደንት ኣብዱላሂ መሓመድ ፋርማጆ ንዝቖመ መርማሪ ኮምሽን ከም ዘይቅበሉ ኣፍሊጦም። እቲ ፕረዚደንት ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ሓሙሽተ ኣባላት ዘለዎ ጉጅለ ርኽበታቱ ናብ ዝምልከቶ ሕጋዊ ትካል ከቕርብ ምዃኑ እዩ ተዛሪቡ። ስድራ ታሕሊል ግና ንምቛም እቲ መርማሪ ኮምሽን ክነጽጉ እንከለው፡ እቲ ጉዳይ ብወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ጥራይ ክርአ ከም ዝደልዩ ሓቢሮም። ኣደ ታሕሊል ንዩኒቨርሳል ቲቪ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ \"እምነትና ኣጥፊእና ኢና፤ እቲ ፕረዚደንት ነጉዳይ ታሕሊል ንምምርማር ዘቖሞ ጉጅለ ኣይንቕበሎን ኢና። ንወተሃደራዊ ቤትፍርዲ ጥራይ ኢና እንኣምን ኣብ ድማ ኢና እቲ ጥርዓንና ዘቕረብና\" ኢላ። ኣብቲ ጉዳይ ምስ ፕረዚደንት መሓመድ ፋርማጆ ዘይቓደወ ቀዳማይ ሚኒስተር መሓመድ ሑሴን ሮብለ፡ ኣብ ጉዳይ ምቋም እቲ ኮምሽን ዛጊት ዝሃቦ ርእይቶ የለን። እንተኾነ እቲ ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዘለዎ ምስሕሓብ፡ ነቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምትን ሕዳርን ዝካየድ ባይቶኣዊ ምርጫ ከም ዘየተዓናቕፎ ቃል ኣትዩ'ሎ። ንሱ፡ ምስ ምክትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሞቓዱሾ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን'ዩ ነቲ መግለጺ ሂቡ። \"ነቲ ምርጫ ከምቲ ዝተወጠኖ ንምክያድ ድሉዋት ኢና። ዘለዉና ካልኦት ጉዳያት ኣብቲ ምርጫ ጽልዋ ኣይክህልዎምን'ዩ\" ክብል ነታ ብሰኑይ ኣብቲ ሃገር ምብጻሕ ዘካየደት ምክትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣሚና መሓመድ ገሊጹ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስተር ሮብለ፡ ሓላፊ ትካል ስለያ እታ ሃገር ነቲ ጉዳይ ብግቡእ ኣይሓዞን ብዝብል ካብ ስርሑ ደው ክብል ትእዛዝ እኳ እንተኣመሓላለፈ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ፋርማጆ ግና ሓላፊ ጸጥታ ቤትጽሕፈቱ ክኸውን ብምሻም ናብ ስርሑ መሊስዎ። እቲ ትካል ስለያ ኣብ ፈለማ መስከረም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እታ ኢክራን ታሕሊል ዝተባሃለት ሰራሕተኛ ክፍሊ ድሕነት ሳይበር ብኣባላት ኣልሸባብ ካብ ሞቃዲሾ ከም ዝተጨውየትን ከም ዝተቐትለትን እዩ ሓቢሩ። ኣልሸባብ ግና ከም ዘይወዓሎ ኣፍሊጡ እዩ። ገለ ተቓወምቲ ሰልፍታት እታ ሃገር፡ ኢክራን ታሕሊል ብዛዕባ እቶም ንስልጠና ናብ ኤርትራ ዝተወሰዱን ኣብ ኲናት ትግራይ ከም እተሳተፉ ዝንገረሎምን ወተሃደራት ሶማል እትፈልጦ ተኣፋፊ ሓበሬታ ስለ ዘለዋ ክትጠፍእ ከምዝተገበረ ይኸስሱ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58498259"} {"headline":"ሶማላያውያን ድሕሪ ቅትለት ኣባል ፓርላማ ብሪጣንያ ‘ናይ ሞት ምፍርራሕ የጋጥሞም ኣሎ’","content":"ኣብ ብሪጣንያ ንዝርከቡ ሶማላያውያን ዝሕግዝ ትካል፡ ኣባላቱ ድሕሪ ቕትለት ኣባል ፓርላማ ሰር ዴቪድ ኣመስ ናይ ሞት ምፍርራሕ ይበጽሖም ከምዘሎ ኣፍሊጡ። እቲ ኣባል ባይቶ ብዓርቢ ኣብ እዋን ኣኼባ ብበሊሕ ነገር ብተደጋጋሚ ተወጊኡ ከምዝተቐተለ ይዝከር። ወዲ 25 ዓመት ሶማልያዊ መቦቆል ዘለዎ ብሪጣንያዊ ዓሊ ሃርቢ ዓሊ ድማ በቲ ቕትለት ተጠርጣሪ ኮይኑ ተታሒዙ’ሎ። ኣቡኡ ንዓሊ፡ ሃርቢ ዓሊ ኩላኔ ቅድም ክብል ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚንስተር ሶማልያ ብምዃን ኣገልጊሉ ነይሩ። ተወካሊ ቆንስል ሶማልያ ኦርጋናይዜሽንስ [‘ሲኤስኦ’] ካሂዬ ኣሊም፤ ሶማላያውያን ዝመቦቆሎም ሰባት ብድሕሪ እቲ ቕትለት ናይ ሞት ምፍርራሕ ይበጽሖም ምህላዉ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ብምኽንያት ዝበጽሕ ዘሎ ምፍርራሕ ሰባት ናብ ስግኣት ስለዝኣተዉ ድማ ገለ ክበባት መናእሰያትን ማእኸላት ማሕበረሰብን ከምዝተዓጸዉ ገሊጹ። ንኣባላት ስድራ እቲ ተጠርጣሪ ከምዘይፈልጦም ዝተዛረበ ካሂዬ ኣሊም፤ ንኣቡኡ ግን ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚንስተር ሶማልያ ኮይኑ ስለዘገልገለ ከምዝፈልጦ ኣረዲኡ። ማሕበረሰብ ሶማልያ ኣብ ብሪጣንያ ብቕትለት እቲ ኣባል ፓርላማ ኣዝዩ ከምዝተሰናበደ ወሲኹ ገሊጹ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58964631"} {"headline":"ቅላውላው ትግራይ፡ ሓላፊ ጸጥታ ሶማሊያ ነበር ብዛዕባ ሃለዋት ወተሃደራት ሶማሊያ ኣብ ትግራይ","content":"መርበብ ሓበሬታ ‘ግሎብ ኤንድ ሜይል’፡ ንመሰኻኸር ዓይኒ ኣዘራሪቡ ዝረኸቦ መረዳእታ መሰረት ገይሩ ኣብ ዝዘርገሖ ጸብጻብ ወተሃደራት ሶማሊያ ምስ ሰራዊት ኤርትራ ብምውዳድ ኣብ ትግራይ ጃምላዊ ጨፍጫፍ ከም ዝፈጸሙ ኣቃሊዑ’ሎ። እቲ ጸብጻብ እቲ ጃምላዊ ጨፍጫፍ ኣብ ፈላሞት ኣዋርሕ ምጅማር እቲ ኲናት ከም ዝተፈጸመ እዩ ሓቢሩ። እቲ ሓድሽ መረዳእታ፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሶማሊያን ኣብቲ ኣብ ትግራይ ሞትን ዕንወትን ዘኸተለ ኲናት ሕብረት ምፍጣሮም ብዝምልከት ሕቶታት ንክለዓሉ ምኽንያት ኮይኑ ይርከብ። መንግስቲ ኤርትራ ወተሃደራቱ ኣብ ትግራይ ፈጺሞምዎ ተባሂሉ ንዘቕርበሉ ክስታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣይቅበሎን። ሚኒስተር ሓበሬታ ሶማልያ ዑስማን ኣቡበከር ዱቤ ብወገኑ፡ ነቲ ወታሃደራት እታ ሃገር ኣብ ኲናት ትግራይ ተሳቲፎም ዝብል ሓበሬታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥሪ ነጺጉ። ቢቢሲ መደብ ‘ፎካስ ኦን ኣፍሪቃ’ ንዋና ሓላፊ ድሕነት ሶማሊያ ነበር [ኣብዚ እዋን ኪኢላ ጉዳያት ጸጥታ ቀርኒ ኣፍሪቃ] ዓብዲ ሰላም ጉሌድ ኣዘራሪብዎ’ሎ። ቢቢሲ፡ሶማሊያ ካብቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት እንታይ’ዩ ድልየታ? ዓብዲሰላም - ሶማሊያ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣብቲ ኲናት ድልየት ኣለዋ ኢለ ኣይኣምንን። እኳ ደኣስ ዘይሻራውያን ኮይኖም ነቲ ጸገም ፍታሕ ኣብ ምንዳይ ምተሳተፉ እየ ዝብል። ቢቢሲ፡ ሕዚ ግን ኣብቲ ጸገም ተሳትፎ ገይሮም ኣለዉ። ጸብጻብ ግሎብ ኤንድ ሜይል ንመሰኻኽር ዓይኒ ጠቒሱ ከም ዝጸብጸቦ ወተሃደራት ሶማሊያ ኣብ ትግራይ ጃምላዊ ጨፍጫፍ ፈጺሞም’ዮም። ብዙሓት ሰባት እውን ንኣዋርሕ ብዛዕባ ሃለዋት ወተሃደራት ሶማሊያ ኣብ ትግራይ ክዛረቡሉ ጸኒሖም ኣለዉ። ንምንታይ እዮም ኣብኡ ዘለዉ? ዓብዲሰላም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥሪ ነዚ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ፈለማይ ሰብ እየ ነይረ። ወተሃደራት ሶማሊያ ኣብ ኲናት ትግራይ ተሳትፎ ይገብሩ ምህላዉ ዝገልጽ ሓበሬታ ካብቶም ኣብ ዓውዱ ውግእ ዝነበሩ ሓለፍቲ ኤርትራን ኢትዮጵያ ሓበሬታ ይበጽሓኒ ነይሩ። መንግስቲ ሶማሊያ ግን ነዚ ሓበሬታ ደጋጊሙ ነጺግዎ። ጉዳይ ናይዞም ብ10 ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰራዊት ሶማሊያ ካብ ዝኾነ ኣካል ዝተሓብአ ነገር ኣይነበረን። ንሰራዊት፣ ፖሊስ፣ ድሕነትን መንግስትን ሶማሊያ ክነዘራርብ ፈቲንና ኢና። ኩሎም ዝሃቡዎ መልሲ ግን ዝጠፍአ ወተሃደር የለን ዝብል’ዩ። ብድሕሪኡ እናሓየለ ንዝመጽአ ጸቕጢ ስዒቡ ከምኡ’ውን ስድራቤቶም ሰልፊ ተቓውሞ ብምክያዶም እቲ ጉዳይ ግልጺ ክኸውን ኪኢሉ። ዝጠፍኡ ወተሃደራት ሶማሊያ ከምዘለዉ ተረጋጊጹ። ኩሎም ድማ “ስልጠና” ብዝብል ጉልባብ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ኤርትራ ክዋፈሩ ዝተገበሩ ነይሮም። ደሓር ጸኒሕና ድማ ኣብ ሞንጎ ሰለስቲኤን ሃገራት ማለት ኤርትራ፣ ሶማሊያን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ‘ስሉሳዊ’ ስምምዕ ምንባሩ ተገንዚብና። እቲ ጸብጻብ ከም ዝብሎ 30 ሽሕ ወተሃደራት ዝሓቖፈ ሓበራዊ ድልው ሓይሊ ከቑማ ፈቲነን ነይረን። ስለዚ ናብ ኤርትራ ሚስጢራዊ ብዝኾነ መገዲ ዝተወሰዱሉ ምኽንያት እውን እዚ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ስሩዕ ዶክመንት እውን ኣይነበሮምን። ቢቢሲ፡ ስለዚ መንግስቲ ሶማሊያ ዜጋታት ሃገሩ ናብ ትግራይ-ኢትዮጵያ ልኢኹ፤ ሰራዊት ኤርትራ’ውን ኣብኡ ኣለዉ፤ ኣንጻር ህወሓት ይቃለሱ ኣለዉ ማለት ድዩ? ዓብዲሰላም፡ እዋ ምስ ሰራዊት ኤርትራ ኮይኖም’ዮም ዝዋግኡ ዘለዉ። ናይ ሰራዊት ኤርትራ ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲኖም ብኤርትራውያን ይምርሑ ኣለዉ። ነዚ ኢና ኣብዚ እዋን ንፈልጥ። ቅድሚኡ ዝኾነ ዓይነት መረዳእታ ኣይነበረናን። ምኽንያቱ እቲ ከባቢ ምሉእ ብምሉእ ዝተዓጸወ ነይሩ። ዝኾነ ዓይነት ናይ መራኸቢታት ኣማራጺ’ውን የለን። ሎሚ ግን ሶማሊያውያን እንታይ ተሳትፎ ከም ዝነበሮም ዝገልጽ ንመሰኻኽር ዓይኒ ዘካተተ ጸብጻብ እዚ ጋዜጣ ረኺብለና። እቶም ወተሃደራት ብዘይገለ ዶክመንትን ከይተፈለጡን ክሰጋገሩ ዝተገበሩ’ዮም። ንልዕሊ 500 ሶማሊያውያን ስድራ እቶም ወተሃደራት ኣዘራሪበ ደሃይ ደቆም ከም ዘይሰምዑ’ዮም ዝዛረቡ። ገሊኦም ስድራ፡ ደቆም ናብ ቀጠር (ኳታር) ከይዶም ኣብ ሓለዋ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ከምዝዋፈሩ ወይ ድማ ናብ ቱርኪ ንስልጠና ከም ዝኸዱ ዝገልጽ መደናገሪ ሓበሬታ እዩ ተነጊርዎም። ስለዚ እዚ ምስጢራዊ፤ ፍጹም ክሕደት እዩ። መንግስቲ ሶማሊያ ኣብቲ ናይ ትግራይ ኲናት ተሳትፎ ክገብር ብፍጹም ተቐባልነት የብሉን። ቢቢሲ፡ ናብቲ ኳታር እተእንግዶ ዋንጫ ዓለም ወይ ናብ ቱርኪ ንስልጠና ከምዝኸዱ እንተሓበረ’ኳ ግን ከኣ ናብቲ ምናልባት’ውን ክቕተሉሉ ዝኽእሉሉ ኲናት ከምዝኸዱ ትዛረቦ ዘለኻ ብምብጋስ፡ መንግስቲ ንህዝቢ ሶማሊያ ብዛዕባ ደቆም ሓሶት ነጊርዎም ዲኻ ትብል ዘለኻ? ዓብዲሰላም፡ ብርግጽ እውን ተቐቲሎም’ዮም። ከምዝተቐተሉ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ሓቢሮምለይ ኣለዉ። ገለ ስድራ’ውን፡ ንደቆም ረኺቦም ከዘራርብዎም ከምዝኸኣሉን ምስኦም ሓቢሮም ዝኸዱ መሓዙቶምን ቤተሰቦምን ኣብ ኲናት ትግራይ ከም ዝተቐተሉ ከምዝሓበርዎምን ነጊሮምኒ’ዮም። ካብቶም ብዘይገለ ሕጋዊ ዶክመንት ናብ ኤርትራ ክሰግሩ ዝተገበሩ ወተሃደራት ሶማሊያ እወ [ኣብ ኲናት ትግራይ] ተቐቲሎም’ዮም። ቢቢሲ፡ ስለዚ እዚኦም ስሩዓት ወተሃደራት ኣይነበሩን ማለት ድዩ? ብግዱድ ኩነታት ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክኣትዉ ዝተገበሩ ድዮም? ዓብዲሰላም፡ ዝተገፈፉ ኣይኮኑን። ናብ ኳታር ክለኣኹ ምዃኖም ተነጊርዎም ካብ ሶማሊላንድን ካልኦት ክፋላት ሶማሊያን ዝተኣከቡ እዮም። ምኽንያቱ ኳታር ኣብ እዋን ዋንጫ ዓለም ጸጥታ ዘኽብሩ 1000 ወተሃደራት ካብ ሶማሊያ ናይ ምውሳድ ድልየት ከምዘለዋ ብምግላጽ ዝተኣከቡ እዮም። ገሊኦም ድማ ናብ ቱርኪ ከም ዝውሰዱ ዝተነገሮም’ዮም። ካብዞም ወተሃደራት መብዛሕቲኦም ናይ ዩኒቨርሲቲን ካልኣይ ደረጃ ትምህርትን ምሩቓት’ዮም። ካብ ጉደናታት ዝተገፈፉ እውን ግን ኣለዉ። ንሓደ ካብኡ ናብ ሶማሊያ ዝተመለሰ ኣዘራሪበ ነይረ። “ኣብ ሬስቱራንት እሰርሕ ነይረ። ሰራሕተኛ ሓለዋ ኮይነ ከም ዝቑጸር ’ዩ ተነጊሩኒ። ደንቢ ክዳን ተኸዲነ ምስረኣዩኒ ከኣ ጨውዮም ወሲዶምኒ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት ፍርቂ ለይቲ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ሞቓዲሹ ብኣየር ተጻዒንና ናብ ኤርትራ ተወሲድና” ኢሉኒ። ቢቢሲ፡ መሃያ ከምዝኽፈሎምከ ቃል ተኣትዩሎም ነይሩ’ዶ? ዓብዲሰላም፡ ናብ ኳታር ምስኣተዉ መሃያ ከምዝኽፈሎም ቃል ተኣትዩሎም ነይሩ። ስለዚ ኩሎም ናብ ኳታር ይኸዱ ከምዘለዉ እዮም ዝፈልጡ ነይሮም። ናብ ኤርትራ ምስኣተዉ እዮም ንነብሶም ኣብ ኤርትራ ረኺቦም። ቅድሚ ምብጽሖም ግን ኣበይ ከምዘለዉ ኣይፈልጡን ነይሮም። ቢቢሲ፡ እሞ ተኸፊልዎም’ዶ? ዓብዲሰላም፡ ኣይተኸፈሎምን፤ ንቤተሰቦም ረኺቦም ከዘራርቡ’ውን ኣይተፈቐደሎምን። ቤተሰቦም እውን ክረኽብዎም ይፍትኑ ኣለዉ። ገለ ወለዲ ቀትሪ ምስ ለይቲ ኣብ ኣፍደገ ቤተመንግስቲ እዮም ጊዜኦም ዘሕልፉ። ዝሰምዖም ግን የለን። እዚ ዘሸብር’ዩ። ይትረፍ መንግስቲ እቶም ተቓወምቲ ሓይልታት እውን ነዚ ጉዳይ ኣይተገደሱሉን። ብዛዕባ 10 ኣሽሓት ኢና ንዛረብ ዘለና፤ መንግስቲ ግን 5000 ከምዝኾኑ እዩ ዝኣምን። ስለዚ ኣዝዩ ብዙሕ ብዛዕባ ዝኾነ ህወይት ሰባት ኢና ንዛረብ ዘለና። እዞም ሰባት ከኣ ነቲ ዝገብርዎ ኩሉ ተገዲዶም ከምዝገብርዎ እየ ዝኣምን። ምኽንያቱ ናብ ኤርትራ ተገዲዶም’ዮም ተወሲዶም። ሕዚ ድማ ናይ ኤርትራ ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲኖም ብኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ እዮም ዝእዘዙ ዘለዉ። ዝፈጸሙ እንተፈጸሙ ድማ ብትእዛዝ መራሕቲ ሰራዊት ኤርትራ ከምዝኸውን ዋላ ሓደ ጥርጥር የብለይን። ነቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወለዐን፡ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝለሓመን ኲናት ሓድሕድ ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ክግበር ዝንሐ ጻዕርታት ክሳብ ሎሚ ጭቡጥ ፍረ ኣይተረኽበሉን ዘሎ። እቲ ንልዕሊ 14 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ግጭት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሲፊሕ ምፍንቓል ዝርከቦ ሰብኣዊ ቅልውላዉን ጥሜትን ኣስዒቡ ምህላዉ ይፍለጥ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60110106"} {"headline":"ምስሕሓብ ቀዳማይ ምኒስተርን ፕረዚደንት ሶማልያን ናበይ ኮን የምርሕ ይኸውን?","content":"ምስ ምንዋሕ ምርጫ ሶማሊያ ኣብ ፖለቲከኛታት ዘይምርድዳእ ካብ ዝፍጠር ጸኒሑ ኣሎ። ታሕተዋይ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ንስልጣን ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ብኽልተ ዓመት ምስ ኣናውሖ'ዩ እቲ ዘይምርድዳእ ብኢሱ። ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት ሶማልያ እውን ነቲ ናይ ስልጣን ምንዋሕ ብምቅዋም ንዓብዱላሂ ፋርማጆ ብናይ ስልጣን ውድድር ከሲሱምዎ። ብሰንኪ እዚ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ፡ ኣብ መንጎ ደገፍቲ መንግስትን ተቓወምትን ኣብ ከተማ ሞቓዲሾ ብዘጋጠመ ግጭት ብውሕዱ 10 ሰባት ሞይቶም። ናይቲ ግርጭት ቀንዲ ተዋሳእቲ እቶም ተቓወምቲ ዘበነ ስልጣን ፕረዚደንት ፋርማጆ ስለዘብቀዐ፡ \"ኣፍልጦ ኣይንህቦን ኢና\" ብምባል 'ናሽናል ሳልቬሺን ፎረም' ዝበሃል ተሰማዕነት ዘለዎ ብሄራዊ መድረኽ ኣቚሞም። እቲ ምትእኽኻብ ናይ ፋርማጆ ቀንዲ ተቓዋሚ ናይቲ ሰኔት ኣፈ-ጉባኤ ኣብዲ ሃሺ ኣብዱላሂ፣ ናይ ጁባላንድን ፑንትላንድን መራሕቲ ዘካተተ ጥምረት እዩ። ነቲ ሕገ-መንግስታዊ ኣይኮነን ዝበሉዎ ናይ ስልጣን ምንዋሕ ከኣ \"ኣድላይ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና\" ኢሎም። ናይ ፑንትላንድ ፕረዚደንት ስዒድ ዓብዱላሂ ዴኒን ናይ ጁባ መዘንኡ አሕመድ መሐመድ ኢስላምን ኣብ ሞቃዲሾ ምስ ወከልቲ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ዝገበሩዎ ዝርርብ፡ ነቶም ተወከልቲ \"ንሶማልያ ካብቲ ዘይተርፍ ዓዘቕቲ ዕግርግር ከድሕኑዋ\" ተማሕጺኖም። እቲ \"ቤት ምኽሪ ሕጹያት ፕረዚደንት\" ብፕረዚደንት ነበር ሸሪፍ ሼክ ኣሕመድ ዝምራሕ ምእትእኽኻብ ኮይኑ፡ ንፋርማጆ ንምትካእ ልዑል ድሌት ናይ ዘለዎም ሰባት ጥምረት እዩ። ንፕሬዚዳንት ፋርማጆ ግን ናይ \"ናይ ኵናት መስፍን\" ክብሉ እዮም ዝገልጹዎ። ኣሜሪካ፣ እንግሊዝን ሕብረት ኤውሮጳን፡ ናይ ፋርማጆ ናይ ስልጣን ምንዋሕ ጉዳይ ንናይታ ሃገር ናይ ሰላም ጉዕዞ ዝዕንቅፍ'ዩ በሃልቲ እዮም። ንዝምድናታቶም'ውን ዳግመ ግምት ከምዝገብሩሎም ኣጠንቂቖም ነይሮም። ኣሜሪካ \"ሰላምን ምርግጋእን ንምዕንቃፍ\" ኣብቲ ምንዋሕ ስልጣን ኣብ ዝተሳተፉ ሰበ ስልጣን ማዕቀብ ከምእትገብር እውን ኣጠንቂቓ ነይራ። ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ምንዋሕ ስልጣን ብምቅዋም ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት መራሕቲ ሶማልያ ኣብ ጉዳይ ምንዋሕ ምርጫ ክዘራረቡ ንዘቕረቦ ጻውዒት ከምዝድግፍ ኣረጋጊጹ። ፕረዚደንት ፋርማጆ ዋላኳ ዓቢ ተቓውሞ እንተጋጠሞ ብወከልቲ ህዝቢ ታሕተዋይ ባይቶን ብጋልሙዱግ፣ ብሂውማሌን ኣብ ከባቢ ደቡብ ምዕራብን ሰፊሕ ደገፍ ኣለዎ። ጸገማት መንግስቲ ፌዴራል ፌዴራላዊ ስርዓት ሶማሊያ ነቲ ሱር ዝሰደደ ናይ ዓሌት ግጭት ደው ንምባልን ኣሃዱኣዊ መንግስቲ ንምምስራትን ኣብ ጻዕሪ እኳ እንተሎ እቲ ጉዕዞ ግን ዘገም እናበለ'ዩ ዝኸይድ ዘሎ። እታ ሃገር ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ቅልውላው ናብ ኣህጉራዊ ቁጠባዊ ትካላት ንክትሕወስ ትካላታ ተሐይል ኣላ። እቲ ጉዳይ ምርጫ ዘኸተሎ ዘይምርግጋእ፡ ኣብ ማእከላዊ መንግስትን ብቐደሙ እውን ንስልጣን ፋርማጆ ዘቋሽሹ ዝነበሩ ሓደ ሓደ ናይ ክልል መንግስታት ዝጸንሐ ምስሕሓብ ኣብኢሱዎ ኣሎ። ኣብ መስከረም 2018 ሓሙሽተ መራሕቲ ክልላት ኣብ ጉዳይ ምክፍፋል ስልጣን ምስ መንግስቲ ከምዘይተሓባበሩ ኣረዲኦም። ፕረዚደንት ፋርማጆ ግን ኣይደንጎየን ነተን ክልላት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከእትዎ ግዜ ኣይወሰደሉን። ነቶም ተቓወምቲ ብምእላይ ኣብ ጋልሙዱን ኣብ ግዝኣታት ደቡባዊ ምዕራብን ደገፍቱ ሸይሙ። መንግስቲ ፈደራል ኣብ ፑንትላንድን ጁባላንድን ከምቲ ኣብ ካልእ ዝገበሮ ተመሳሳሊ ተጽዕኖ ከሕድር ኣይከኣለን። ናይተን ክልተ ግዝኣታት መራሕቲ ፋርማጆ ዳግማይ ንከይምረጽ ይጽዕሩ ኣለው። ኣብ መስከረም ዝተገብረ ስምምዕ ዘበነ ስልጣን ፕረዚደንት ፋርማጆ ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት እኳ እንተብቀዐ ብኸመይ ሓዲሽ ፕረዚደንት ክምረጽ ይኽእል ኣብ ዝብል ግን ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ'ሎ። ፕሬዚደንትን ቀዳማይ ምኒስተርን ኣብ ጉዳይ ምርጫ ነንሓድሕዶም ይወነጃጀሉ ኣለው። ሃገራዊ ኮሚሽን ምርጫ ናይ ህዝቢ ቀጥታዊ ተሳትፎ ዘይብሉ ህዝባዊ ምርጫ ክካየድ ከምዘይከኣል ኣፍሊጡ። ኣብ ሰነ 2020 ተኣማንነት ዘለዎ ምርጫ ንምክያድ ብውሑዱ ክሳብ 13 ኣዋርሕ ከምዝወስድ ንናይ ህዝቢ እንዳራሴ ገሊጹ። ናይ ጁባላንድን ፑንትንትላንድን ተቓወምቲ ሰልፍታት ንምድንጓይ እቲ ምርጫ ኣይተቐበሉዎን። እቶም መራሕቲ ኣብ ኣኼባ ዱሳማሬብ ኣይተሳተፉን። ኣብቲ ኣኼባ ከኣ ኣብ ጉዳይ ምርጫ ዝርርብ ተኻይዱስ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ነይሩ። ኣብ ሐምለ 2020 ቀዳማይ ምኒስተር ሓሰን ዓሊ ኬይሬ ካብ ስልጣን ምስተኣልየ ኣብቲ ዝግበር መስርሕ ምርጫ ዝነበረ እምነት ተባሕጓጉ ኣሎ። ናይ ጁባላንድን ፑንትላንድን መራሕቲ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንሰሙናት ድሕሪ ዝገበሮ ጸቕጢ 17 መስከረም 2020 ኣብ ጉዳይ ምርጫ ኣብ ስምምዕ በጺሖም። ብመሰረት እቲ ስምምዕ ኣብ ነብሲ ወከፍ ክልል ክልተ ናይ ምርጫ ነቑጣታት ክህልዋ እየን። እቲ ዝካየድ ምርጫ ኣብ ናይ ክልል ተሳተፍቲ ዝተመስረተ ክኸውን እንከሎ ኣብ ነብሲ ወከፍ ናይ ምርጫ ክልል 101 ናይ ምርጫ ልኡኻት ድምጺ ክህቡ እዮም። ብሕቶን ጠለብን እቶም ተቓወምቲ ነቲ ምርጫ ዝቆጻጸር ብሄራውን ክልላውን ናይ ምርጫ ኮሚቴታት ክቖሙ ተወሲኑ። ናይ ጁባላንድ ማዶቤን ናይ ፑንትላንድ ዴኒን ብፌዴራል መንግስቲ ዝቖመ ናይ ምርጫ ኮሚሽን ብዘይምቕባሎም እቲ ናይ ስምምዕ መስርሕ እንደገና ዕንቅፋት ኣጋጢሙዎ። ናይ ጸጥታ ሓለፍቲ ክእለዩን ፓርላማ ክብተንን ከኣ ሓቲቶም። እንተኾነ ነቲ ምድንጓይ ምርጫ ኣብ ግምት ዘእተወ ናይ ፈደራል ፓርላማ ኣብ ሕዳር 2020 ብሓደስቲ ተመረጽቲ ክሳብ ዝትክኡ ኩሎም ሓለፍቲ ትካላት መንግስቲ ኣብ ስልጣን ክጸንሑ ወሲኑ። ዓሌታዊ ፖለቲካን ግጭት እቲ ዘይምትእምማን ምስ ሰፍሐ ብዙሓት ፖለቲከኛታት ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነትን ነናብ ዓሌቶም ግዒዞም። ንሳቶም ከኣ ብዓሌታዊ ምልሻ ብኣዘዝቲ ኵናትን ናይ ቀደም ሓለፍቲ ሰራዊትን ዝሕለው እዮም። ዝተወሰኑ ሓለፍቲ ተቓውሞ ኣጽዋርን ተሽከርከርትን ብምግዛእ ብረታዊ ቃልሲ ንምክያድ ክዳለውን ጀሚሮም። ብ15 መጋቢት ከኣ ነቲ ዝተደናጎየ ምርጫ ብምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ እንከለው ምስ ፖሊስ ተጋጭዮም። እቶም ናይ ፖሊስ መኮንናት ብመንግስቲ ቱርኪ ዝሰልጠነ ፍሉይ ናይ ሃርማድ ኣባላት ሓይሊ ፖሊስ እዮም ነይሮም። ቅድሚ እቲ እዋን እውን መንግስቲ ድሌታቱ ንከስገድድ ነዚ ፍሉይ ሓይሊ'ዚ እዩ ዝጥቀም ነይሩ። ሓላፊ ፖሊስ ሞቓዲሾ ነበር ሳዲቅ ኦማር ሓሰን (ሳዲቅ ጆን) ብ13 ሚያዝያ ብጉዳይ ምርጫ ንምዝርራብ ንዝተኣከበ ፓርላማ ብምኽልካል ኣንጻር መንግስቲ ተሰሊፉ። ብድሕሪኡ ካብ ሓላፍነቱ ወሪዱ ማዕርጉ እውን ተቐንጢጡ። ድሕሪ ሒደት መዓልቲ ከኣ ብዕጡቓት ደቂ ዓሌቱ እናተሓለወ ዳይናል ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ሞቓዲሾ መዓስከር መስሪቱ። መንግስቲ ናብቲ ከባቢ ዕጡቓት ብምውፋሩ ኣብታ ከተማ ወጥሪ ሰፊኑ፤ ዳሕራይ ግን እቲ ኵነታት ተረጋጊኡ። እቲ ምርጫ ፍታሕ ዝረኸበ ይመስል ኣብ ሚያዝያ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ዘበነ ስልጣኑ ንኽልተ ዓመት ንምንዋሕ ዝወሰዶ ስጉምቲ ብወግዒ ደው ከምዘበሎ ሓቢሩ። ንህዝቢ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ከኣ ሓዲሽ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንኽካየድ መጸዋዕታ ብምቕራብ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ንዝገበሮ ጻዕሪ ኣድኒቑ። ኣብ ዝቕጽል ዕለታት ከኣ ናይ ሶማልያ ናይ ፖለቲካ መራሕቲ ብኸመይ ምርጫ ከምዝካየድ ተሰማሚዖም። ቀዳማይ ምኒስተር መሓመድ ሑሴን ሮብለን ናይቲ ክልል ፕረዚደንትን እቲ መስርሕ ኣብ ክልተ ወርሒ ንኪጅመር ዘኽእል ስምምዕ ተፈራሪሞም። እቲ ምርጫ ኣብ ዝተፈላለየ ግዝያት ሰሌዳ ስለዝተጀመረ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ሓደ ሓደ ኣከባቢ እቲ ምርጫ ተጀሚሩ። ናይ ሶማልያ ናይ ጁባላንድ ክልል ቤት ምኽሪ ኢሊያስ ባዳል ጋቦሴን ናይ መጀመርያ ናይ ሶማልያ ሴኔት አባል ኮይኑ ተመሪጹ። እቲ ናይ ዓሌታት ፓርላም ኣባላት ዝምረጽሉ ዝተወሳሰበ ናይ ሶማልያ ናይ ህዝቢ ተወከልቲ ቤት ምኽሪ ምርጫ ካብ ወርሒ ሕዳር ኣትሒዙ ይካየድን ቅድሚ መዓልታት ክውዳእ እኳ እንተነበሮ ክሳብ ሕጂ ግን ኣይተወደአን። ምስዋር እታ ኣባል ሃገራዊ ድሕነት ጓለንስተይቲ ኣብ መስከረም ከኣ ካልእ ዕግርግር መጺኡ። ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቃዲሾ ኢክራን ታህሊል ዝተባህለት ኣባል ሃገራዊ ድሕነት ብምስዋራ ኣብ መንጎ ፕረዚደንትን ቀዳማይ ምኒስተርን ካልእ ምስሕሓብ ተፈጢሩ። ቤት ጽሕፈት ትካል ሃገራዊ ድሕነትን ኢክራን ታህሊል ብኣልሸባብ ተጨውያ ከምዝተቐትለት እኳ እንተገለጸ እቲ ዝተጠቕሰ ጉጅለ ግን ነቲ ተግባር ከምዘይፈጸሞ ገሊጹ ኣሎ። ቀዳማይ ምኒስተር መሐመድ ሓሰን ሮብለ እቲ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ነቲ ጉዳይ ንምክትታል ብዝሓዞ መገዲ ደስ ኣይበለንን ብምባል ካብ ስራሕ ኣጊዱዎ። ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ግን እቲ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ናብ ስርሑ ክምለስ ኣዚዙ'ሎ። ብዘይካ እታ ዝተሰወረት ሰራሕተኛ ሃገራዊ ድሕነት ናይቲ ቤት ጽሕፈት ተጸዋዕነት ጉዳይ እውን ንፍልልይ እቶም ክልተ ፖለቲከኛታት ኣጋዲዱዎ ኣሎ። ኣብ መንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ዝተፍጥረ ዘይምስምማዕ ንሓይልታት ጸጥታ ሶማል ናይ ምክፍፋል ሓደጋ ኣስዒቡ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ክልቲኦም ሰበ ስልጣን መስርሕ ምርጫ እታ ሃገር ንከይዕንቀፍ ተሰማሚዖም። ጉዳይ እታ ዝተሰወረት ኣባል ሃገራዊ ድሕነት ጉዳይ ከኣ ቤት ፍርዲ ክርእዮ ተሰማሚዖም። እቲ ሓዲሽ ዘይምርድዳእ ቅድሚ መዓልታት ናይ ሶማልያ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ፋርማጆ ናይታ ሃገር ቀዳማይ ምኒስተር መሓመድ ሑሴን ሮብለ ካብ ስልጣኑ ምእጋዱ ኣፍሊጡ። ነቲ ቀዳማይ ምኒስተር ንምእጋድ ዝቐረበ ምኽንያት ብዘይ ኣግባብ ስልጣኑ ተጠቒሙ ናይ መንግስቲ መሬት ብምውሳዱ እዩ ዝብል እዩ። ፕረዚደንት ፋርማጆ፡ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ናይ ህዝቢ መሬት ብምውሳዱን ምኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ዘካይዶ መርመራ ጣልቃ ብምእታውን እዩ ዝኸሶ። ፕረዚደንት ፋርማጆ ንቀዳማይ ምኒስተር እታ ሃገር ጥራሕ ዘይኮነ ንሓላፊ ሓይሊ ባሕሪ ሶማል ንጄነራል አብዲሃሚድ መሓመድ ዲሪር እውን ካብ ሓላፍነቱ ኣጊዱዎ ኣሎ። ይኹን እምበር ቀዳማይ ምኒስተር መሓመድ ሑሴን ሮብለ ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ብምንጻግ እቲ ፕረዚደንት መፈንቅለ መንግስቲ ክገብር ፈቲኑ ብምባል ኣብ ስልጣኑ ከምዝቕጽል ተዛሪቡ። ካብኡ ሓሊፉ ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ካብኡ እምበር ካብ ፕረዚደንት ፋርማጆ ትእዛዝ ክቕበሉ ከምዘይብሎም ኣተሓሳሲቡ። እቲ ሓዲሽ ዘይምርድዳእ ተወሳኺ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ። ኣብ ሶምል ዝርከቡ ናይ መንግስቲ ኣመሪካ ኤምባሲ እቶም መራሕቲ \"ካብ ተዂታኺ ተግባራት ንክቑጠቡን ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ከወግዱን\" ኣተሓሳሲቡ። እታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለያ ጃንዳ ኣብ ዝተሰለፉ ዓሌታት ዝተመቓቐለት ኣብ ርእሲ ምዃና ምስ ኣልቃዒዳ ርክብ ምስ ዘለዎ ጉጅለ ኣልሸባብ እውን ትዋጋእ ኣላ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59815225"} {"headline":"ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ሞቃዲሾ ብዝተፈንጀረ ነትጒ ቆሲሉ","content":"ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሶማልያ ሞሓመድ ኢብራሂም ሞዓሊሙ ኣብ ሞቃዲሾ ብዝተፈንጀረ ነትጒ መቑሰልቲ በጺሕዎ። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ነበር ሞዓሊሙ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ገዝኡ ካብ ዝተፈንጀረ ነትጒ ጉድኣት ምስ በጽሖ ሽዑ ንሽዑ ናብ ሆሰፒታል ከምዝተወስደ ተሓቢሩ። ነቲ መጥቃዕቲ ዛጊድ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል እንተዘየለ’ኳ፡ መንግስቲ ማዕኸን ዜና ሶማልያ ግን፡ እቲ መጥቃዕቲ ቦምቧ ብነፍሰ-ቅትለታዊ ከምዝኾነ ጸብጺቡ። ቢቢሲ ሶማሊ ከምዝበሎ፡ ሚኒስተር ሞዓሊሙ ቅድሚ ሕዚ ካብ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲታት ኣምሊጡ እዩ። እዚ መጥቃዕቲ ነቲ ቅድም ክብል ኣብ ጥቓ መዕርፎ ነፈርትን ማእከል ሓይሊ ኣየር እታ ሃገርን ካብ ጉጅለ ኣልሻባብ ዝተፈነወን፡ ህይወት 8 ሰባት ዘስአነን ድሒሩ ዝተፈጸመ እዩ። ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ከም ዝለዎ ዝንገረሉ እስላማዊ ጉጅለ ኣልሻባብ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስታዊ ኣካላት ተደጋገሚ መጥቓዕቲታት ምፍጻሙ ዝዝከር እዩ። ኣብ ቀረባ እዋናት ዝፍነዉ ዘለዉ መጥቃዕቲታት፡ ነቲ ኣብ መንጎ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ፕረዚደንት እታ ሃገርን ምድንጓይ መረጻ ኣመልኪቱ ዝተፈጠረ ዘይምስናይ ስዒቡ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሶማልያዊ ጋዜጠኛ ሞሓመድ ሞሓመድ \" ሕዚ እቲ ጸገም ዝተፈትሐ እዩ ዝመስል\" ክብል ንራድዮ ፎከስ ቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ። \"ክልላዊ መራሕትን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ካብ 15 ጥሪ ጀሚሩ፡ ኣብ ውሽጢ 40 መዓልታት መረጻ ንኽካየድ ዘኽእል መስርሕ ተስማሚዖም ኣለዉ\"።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60016017"} {"headline":"ኢትዮጵያውያን ዕርቅን ሰላምን ከስፍኑ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ጸዊዖም","content":"ኣብቲ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ዝሳለጥ ዘሎ ጽምብል በዓል ሽመት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝተረኸቡ መራሕቲ ዝፈላለያ ሃገራት መልእኽቲ ኣሕሊፎም ኣለዉ፡፡ ካብቶም መልእኽቲ ዘሕለፉ መራሕቲ ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዩወሪ ሙሰቨኒ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን እንቋዕ ደስ በለኩም ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ዩጋንዳ ኣፈላላይ ዓሌትን ሃይማኖትን ከቢድ ጸገም ከምዝፈጠረ ብምሕባር መንነት መሰረት ዝገበረ ፖለቲካ ዝፈጥሮ ፍልልያት ምቕራፍ ናብ ለውጢ ጎደና ከምዘሳግር ገሊጹ፡፡ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ማያርዲት ብወገኑ “ፍልልያት ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ኣለዎ” ድሕሪ ምባል፡ ንህዝቢ ደቡብ ሱዳን ዘጋጠሞ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከጋጥሞ ከምዘይደሊ ተዛሪቡ። ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ሰላም ክወርድ ዝገበረቶ ጻዕሪ እውን ንኢዱ። ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ጊሌ ብተመሳሳሊ ደሞክራስያዊ ስግግር ኢትዮጵያ ምርኣየይ ኣሐጒሱኒ ኢሉ። ኢትዮጵያ ተምሳሌት 'ፓንኣፍሪቃኒዝም' ብምባል ዝነኣደ እቲ መራሒ፡ ኣብቲ ዞባ ኲናት ዘውረዶ ዕንወት ብምጥቃስ \"ኢትዮጵያ ምስ ባዕላ ሰላም ክተውርድ፡ ዝጸንሐ ሓይላ ደጊማ ክተሕድስን\" ሓቲቱ፡፡ ፕረዚደንት ኬንያ ኡህሩ ኬንያታ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ድማ፡ ንቐዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ አሕመድ እንቋዕ ደስ በለካ ድሕሪ ምባል ኬንያ ሰላምን ዕብየትን ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ድሉውቲ ምዃና ተዛሪቡ፡፡ \"ሓወይ! ሎሚ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ክትመርሕ፣ ሰላም ከተምጽእ፣ ርግኣት ከተምጽእ ፣ ንኢትዮጵያ ሓደ ክትገብር ሓላፍነት ሂቦምኻ ኣለዉ። ዝመረጹኻን ዘይመረጹኻን ናትካ ህዝቢ እዮም\" ብምባል ዝተውሃቦ ሓላፍነት ብግቡእ ክዋጻእ ሓቲቱ። ኢትዮጵያ ‘‘ኣዴና እያ’’ ክብል ዝተዛረበ ኡህሩ፡ ‘‘ኣደ ሰላማ እንተስኢና ኩሉ ቤተሰብ እዩ ዝህወኽ’’ ብምባል አታ ሃገር ናብ ሰላም ክትምለስ መልእክቲ ኣመሓላሊፉ፡፡ ኣብ ኢትዮጵየ ሰላም ክሰፍን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመደ ሓላፍነቱ ክዋጻእ ዝሓበረ ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሓመዱ ቡሃሪ ብግዲኡ ናይጄርያ ሉኣላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ከምእትድግፍ ተዛሪቡ፡፡ ኣብቲ በዓል ሽመት መልእክቲ ዘሕለፈ ፕረዚደንት ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ እውን ኢትዮጵያውያን ድልየትና የማልአልና እዩ እትብልዎ መራሒ ብምምራጽኩምም እንቋዕ ኣሐጎሰኩም ኢሉ፡፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሓዊሱ እታ ሃገር ዘጋጠምዋ ፈተናታት ንምፍታሕ እቲ ሓድሽ ምምሕዳር ሓላፍነቱ ክዋጻእ እውን ጸዊዑ፡፡","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58793170"} {"headline":"ጆ ባይደን ንኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ዋይት ሃውስ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ","content":"ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ንፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ዋይት ሃውስ (ቤተመንግስቲ ኣመሪካ) ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ። ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዙርያ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ተሪር ምዃኑ ዝንገረሉ ዝምድና ከም ዝተዘራረቡ ዋይት ሃውስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቶም ፕረዚደንትታት ኣብ ርክቦም ኣብ ኢትዮጵያን ሶማልያን ንዘሎ ግጭት ሰላማዊ መፍትሒ ክርከብ ኣለዎ ንዝብል ከም ዘስመሩሉ ተገሊጹ። ንዴሞክራስን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ከምኡ'ውን ኣብ ምሕላው ኣህጉራዊ ሰላምን ድሕነት ክልቲአን ሃገራት ብሓባር ዘካይድኦ ተግባራት'ውን ተዘራሪቦም። ብዘይካ'ዚ እቶም መራሕቲ ለበዳ ኮቪድ-19 ብሓባር ንምግታእ ክታበታት ኮቪድ-19 ኣብ ኣፍሪቃ ንምፍራይ ክግበር ብዛዕባ ዝኽእል ምትሕብባር ተመያይጦም። ፕረዚደንት ባይደን ንሃገራት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ፍርያት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ዝኾነ 17 ሚልዮን ክታበት ክህብ ምዃኑ ሓቢሩ። ኬንያ ክሳዕ ሕጂ 2.8 ሚልዮን ክታበታት ክትረክብ እንከላ፡ ተወሳኺ ናይ ፋይዘር ክታበት ኣብ ዝቕጽል ኣዋርሕ ንምቕባል ኣብ ምድላው ትርከብ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58923454"} {"headline":"ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ፍትሒ ነቲ ኣብ መንጎ ኬንያ ሶማልያን ዘሰሓሓበ ማያዊ ግዝኣት ብይን ሂቡ","content":"ኣካል ሕቡራት መንግስታት ዝኾነ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ [ኣይሲጄ ]፡ ኣብ ጉዳይ እቲ ኣብ መንጎ ኬንያን ሶማልያን ዘሰሓሕብ ዘሎ ማያዊ ግዝኣት፡ ንሶማልያ ዝድግፍ ብይን ሂቡ። ኬንያ ነቲ ዝተውሃበ ብይን ከምዘይትቕበሎ ዘፍለጠት ኮይና፡ ነቲ ቤት ፍርዲ ብዘይሻራዊነት ከሲሳ። ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ፡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እዚ ርክብ ክለቲአን ሃገራት ዝሃሲ እዩ ክብል ነቒፉ። እቲ ዘካትዕ ጉዳይ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝርከብ ኣስታት 38 ሽሕ ትርብዒት ማይል [100 ሽሕ ትርብዒት ኪሎሜትሮ] ዝሽፍን ማያዊ ኣካል ዶብ ኮይኑ፡ ብነዳድን ጋዝን ዝበልጸገ ከምዝኾነ ይንገረሉ። እቲ ጉዳይ ኣብ መንጎ ክለቲአን ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ኣስዒቡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ሚኒስትር ሓበሬታ ሶማልያ፡ ዖስማን ዱቤ፡ ነቲ ዝተውሃበ ብይን ብምቕባል ንሃገሩ ናይ 'እንኳዕ ደሰበ በለኪ' መልእኽቲ ኣብ ትዊተሩ ኣስፊረ። ኬንያ ነቶም ዝውክልዋ ሰብ ሞያ ሕጊ መብርሂ ንምሃብ ከምኡ'ውን ለበዳ ኮርናቫይረስ ብምጥቃስ እቲ መስርሕ ክደናጎይ እኳ ሓቲታ እንተነበረት፡ ኣይሲጄ ግና እቲ ጉዳይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ብማንዛ ክስማዕ እዩ ወሲኑ። ብዘይካ'ዚ ሓደ ካብ ደያኑ እቲ ቤትፍርዲ ሶማላዊ ብምዃኑ ኬንያ ተቓውሞኣ ገሊጻ ነይራ እያ። ኣብ 2014 ነቲ ጉዳይ ናብ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ፍትሒ ዝወሰደቶ ሶማል፡ እቲ ማያዊ ዶባት ንኣንፈት ናይቲ ናይ መሬት ዶባት ክኽተል ከም ዘለዎ ክትገልጽ እንከላ፤ ኬንያ ብወገና፡ እቲ ማያዊ ዶባት ካብቲ ኣብ ገምገም እቲ ውቅያኖስ ዘሎ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ጀሚሩ ጋድም መስመር ዝሓዘ ምዃኑ እያ እትምጉት። እቲ 14 ዝኣባላቱ ጉጅለ ዳያኑ ሄግ፡ ኬንያ ቅድሚ ሕዚ: ሶማልያ ተስማሚዓ ዝሓደረትሉ እዩ ዝብል መካትዒ: ዘረጋግጽ መረዳእታ ከምዘይረኸብሉ ይገልጽ። እኳደኣስ፡ ነቲ ዘካትዕ ማያዊ ኣካል፡ ኣብ ክልተ ብማዕረ ክምቀል እዮም ወሲኖም። ኬንያ ካብ መፈለምትኡ ነቲ ከይዲ ብይን ብዘይምቕባላ፡ እቲ ፍርዲ ብኸመይ ኣብ መሬት ተግባራዊ ከምዝኸውን ግልጺ ኣይኮነን። ኣብ 2009 ብድጋፍ ሕቡራት ሃገራት ክልቲአን ሃገራት ጉዳየን ብልዝብ ክፍታሕ ተስማሚዐን ነይረን። እንተኾነ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት፡ እቲ ልዝብ ለውጢ ከምዘየምጸአ ዝኣመነት ሶማልያ፡ እቲ ጉዳይ ናብ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ክትወስዶ ክኢላ። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ፡ ማህዲ ሞሓመድ ጉለድ፡ ቅድሚ እቲ ብይን ምውሃቡ፡ ሃገሩ በቲ ዝወሃብ ብይን ከምእትስማማዕ ንቢሰሲ ተዛሪቡ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ፡ ኬንያ እቲ ከይዲ 'ሕጊ ዘይተኸተለ'ን ወገንተኝነት ዘስምዕን ክትብል ኪሲሳ ነይራ። እቲ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ዘጓንፍ ከምዚ ዝኣመሰለ ክትዕ ናይ ምርኣይ መሰል ኣለዎ። እንተኾነ ኬንያ፡ ነቲ ብይን ዘይተቐበለት ብምዃና ናብ ወጥሪ ከየምርሕን እቲ ጉዳይ ናብ ባይቶ ጸጥታ ከምርሕ ከምዝኽእልን፡ ኣብ ሄግ ወኪል ዜና ቢቢሲ፡ ኣና ሆሊጋን ተዛሪባ። ሶማል፡ ኬንያ ንምምሕዳር ዞባ ጁባላንድ ኣንጻር ፌደራላዊ መንግስቲ ብምድጋፍ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያታ ጣልቃ ትኣትው ከም ዘላ ትኸስስ። እንተኾነ ክልቲአን ሃገራት ኣንጻር እቲ ንገለ ክፋል ሶማል ዝቆጻጸርን ኣብ ኬንያ ብርክት ዝበለ መጥቃዕትታት ዘካየደን እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ዝገብርኦ ቃልሲ ብሓባር እየን ዝሰርሓ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58881535"} {"headline":"ብሰንኪ ምስዋር ሓንቲ ኣባል ስለያ ፖለቲካዊ ቅልውላው ሶማልያ ይሰፍሕ ከምዘሎ ተገሊጹ","content":"ፕረዚደንት ሶማልያ፡ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ፋርማጆ፡ መዝነት ናይ ምሃብ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝደረተ ኣፍሊጡ። ንሱ ነዚ ዝገበረ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ምትፍናን እናገደደ ዘመጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ። “ናብ ፖለቲካውን ናይ ድሕነትን ቅልውላው ከእቱ ዝኽእል ተገዳስነት ዘይብሉ ስጉምትታት ይወስድ ኣሎ” ክብል’ዩ ፋርማጆ ንቐዳማይ ሚንስተር ሞሓመድ ሑሴን ሮብሌ ዝኸሶ። ሮብሌ ግን ብመምርሒ እቲ ፕረዚደነት ከምዘይቕየድ ብምግላጽ ዘይሕገመንግስታዊ ክብል ነቲ ውሳነ ነጺጉ። እዚ ምስሕሓብ ብድሕሪ ምስጢራዊ ምስዋር ኢክራን ታህሊል ዝተባሃለት ሰላሊት ዝተፈጥረ ኮይኑ፤ ኣብታ ሃገር ኣብ ሞንጎ ተቐናቐንቲ ሓይልታት ዕጥቃዊ ጎንጺ ከይውላዕ ተሰጊኡ’ሎ። ጓል 25 ዓመት ኢክራን ታህሊል ኣብ ወርሒ ሰነ ካብ ገዝኣ ብመኪና ምስወጽአት’ያ ደሃያ ጠፊኡ። መንግስቲ፡ ታህሊል በቲ ምስ ኣል-ቃይዳ ርክባት ዘለዎ ጉጅለ ኣል-ሻባብ ከምዝተጨወየትን ከምዝተቐተለትን ይገልጽ። ኣል-ሸባብ ግን ነቲ ክሲ ይነጽጎ። ቀዳማይ ሚንስተር ሮብሌ፡ ምስዋር እታ ኣባል ስለያ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ክሕብር እናተገብኦ ነዚ ኣይፈጸመን ብዝብል ንሓላፊ ትካል ስለያ ፋሃድ ያሲን ካብ ስርሑ ከምዘባረሮ ይፍለጥ። ፕረዚደንት ፋርማጆ ግን ንውሳነ እቲ ቀዳማይ ሚንስተር ብምቅዋም ነቲ ሓላፊ ካብ ስርሑ ክእግዶን ኣብ ቀይዲ ከውዕሎን ስልጣን ከምዘይበሉ ሓቢሩ። ሚንስተር ድሕነት ሶማልያ’ውን በቲ ቐዳማይ ሚንስተር ካብ ስርሑ ምስጓጉ ብፕረዚደንት ፋርማጆ ተቓባልነት ኣይረኸበን። ንጉዳይ ምስዋር ኣባል ስልያ ዝነበረት ታህሊል ዘጻሪ ኮሚሽን ብፕረዚደንት እታ ሃገር ክቐውም’ኳ እንተተገበረ፤ ኣዲኣ ግን ነዚ ውሳነ ብምቅዋም እቲ ጉዳይ ብወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ክረኣይ ሓቲታ። ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ኣብ ሶማልያ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ እቲ ቀዳማይ ሚንስተር ሰበስልጣን ክሸይምን ከውርድን ዝነበሮ ሓልፍነት ከምዘልዓሎ ኣፍሊጡ። እታ ሃገር ካብ 1 ጥቅምቲ ክሳብ 25 ሕዳር ኣብ ዘሎ እዋን ባይቶኣዊ መረጻ ክተካይድ ትልሚ ተታሒዙ’ሎ። ነቲ ውሳነ ዝነጸገ ቀዳማይ ሚንስተር ሮብለ እቲ ፕረዚደንት ንመትከላት ምምርቓሕ ስልጣን ክዕቅብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣተሓሳሲቡ። ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ዘሎ ወጥሪ ገና ካብቲ ብፕረዚደንት ፋርማጆ ዝተመሓላለፈ ውሳነ ምንዋሕ እዋን መረጻን ምንዋሕ ዕድመ ስልጣንን ከምዝነቅል ይግልጽ። ኣብዚ እዋን ኣብ ትካላት ጸጥታን ድሕነትን ሶማልያ ዝተፈጠረ ምክፍፋል ናብ ዘስግእ ደረጃ ከምዝበጽሐ ኤዲተር ቢቢሲ ሶማሊ ሙህያዲን ሮብሌ ይገልጽ። ኣብዚ እዋን ኣዘዝቲ ጸጥታ ናብ ክልተ ቦታታት ተኸፋፊሎም ኣለዉ። ኤጀንሲ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ክልተ ጊዚያዊ ሓለፍቲ ዘለውዎ ኮይኑ እቲ ሓደ ብፕረዚደንት ፋርማጆ እቲ ካልኣይ ድማ ብቐዳማይ ሚንስተር ሮብለ ከምዝተሾሙ ይፍለጥ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58593329"} {"headline":"ፓርላማ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ጉዳይ ናጽነት ሶማሊላንድ ክዝቲ ምዃኑ ተገሊጹ","content":"ፓርላማ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ጉዳይ ናጽነት እታ ዛጊት ሃገር ምዃና ብሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዘይተወሃባ ሶማሊላንድ ክዝቲ ምዃኑ ተሓቢሩ። እታ ካብ ሶማሊያ ተነጺላ ርእሰ ምሕደርኣ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ክሳብ ሎሚ ብወግዒ ናጽነታ ተኣዊጁ ሃገር ክትበሃል ኣይበቕዐትን። ውድብ ሕቡራት ኮነ ብኻልኦት ሃገራት እውን ነዚ ኣፍልጦ ከይረኸበት ዓመታት ኣቑጺራ’ላ። “ኣፍልጦ ንሶማሊላንድ” ብዝብል ርእሲ ብኣባል ፓርላማ ዓባይ ብሪጣንያ ጋቪን ዊልያምሰን ንዝቐረበ ለበዋ ስዒቡ ሎሚ ሰሉስ ኣብቲ ጉዳይ ዘተ ከምዝግበር ተፈሊጡ’ሎ። ፓርላማ ብሪጣንያ ቅድሚ ሎሚ’ውን ኣብዚ ጉዳይ ተመያይጡ እንተነበረ’ኳ ዘሕለፎ ውሳነ ግን ኣይነበረን። ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝካየድ ዘተ ግን ኣብዚ ጉዳይ ውሳነ ክህቡ ትጽቢት ይግበር። ነዚ ስዒቡ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማሊላንድ ብትዊት ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፤ ናብቶም ኣብ ብሪጣኒያ ዝነብሩ ዜጋታት ሃገሩ ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ። እቲ ረቂቕ ሓሳብ ምቕራቡ ዝነኣደ እቲ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ኩሎም ኣብ ብሪጣኒያ ዝነብሩ ዜጋታት ሶማሊላንድ ምስ ኣብ ፓርላማ ዝውክልዎም ኣባላት ዘለዎም ርክባት ከደልድሉ ሓቲቱ። ኣብ ብሪጣንያ ገለ ከባብያዊ ኣመሓደርቲ: ሶማሊላንድ ነጻ ሃገር ከምዝኾነት ኣፍልጦ ሂቦም’ዮም። ነዚ ኣፍልጦ ብምሃብ ድማ ምምሕዳር ከተማታት ሸፊልድ፣ ካርዲፍን በርሚንግሃምን ብኣብነት ይጥቀሳ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60036546"} {"headline":"ፕረዚደንት ሶማልያ ንቀዳማይ ሚኒስተርን ንኣዛዚ ሓይሊ ባሕርን ካብ ሓላፍቶም ኣጊዱ","content":"ፕረዚደንት ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ ፎርማጆ፡ ንቀዳማይ ሚነስተር ሑሴን ሮብለ ካብ ሓላፍነቱ ከምዝኣገዶ ኣፍሊጡ፡፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ስልጣኑ ብዘይ ኣግባብ ተጠቒሙን መሬት መንግስቲ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ወሲዱን ብዝብሉ ምኽንያታት ካብ ሓላፍነቱ ከምዝተኣገደ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ሓጋዚ ሚኒስትሪ ሓበሬታ እታ ሃገር ግና ‘‘ ዘይቀጥታዊ ዕልዋ መንግስቲ እዩ’’ ብምባል ነቲ ስጉምቲ ከምዝተቓወሞ ወኪል ዜና ሮይተርስ ገሊጹ፡፡ ፕረዚደንት ፎርማጆ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሰራዊት ሶማልያ ዝውነን መሬት ወሲዱን ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ዘካይዶ ምርመራ ኢዱ ኣእትዩን ክብል ከሲስዎ፡፡ ብተወሳኺ እቲ ክልከላ ንሑሴን ሮብለ ጥራሕ ከምዝምልከትን ካልኦት ሚኒስተራት ኣብ ስረሖም ከምዝቕጽሉን ሓቢሩ፡፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዛጊድ ብዛዕባ ውሳነ እቲ ፕረዚደንት ዝሃቦ ርእይቶ የለን፡፡ ወሃቢ ቃል መንግስቲ፡ መሓመድ ኢብራሂም ሞኣሊሙ ኣብ ፌስቡክ ገጹ ኣብ ዝለጠፎ ሓበሬታ ግና ውሳነ እቲ ፕረዚደንት ሕገ መንግስታዊ ኣይኮነን ብምባል ተቓወምዎ፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሮብለ መንግስታዊ ሓላፍነቱ ምፍጻም ክቕጽል እዩ እውን ኢሉ፡፡ እቲ ፕረዚደንትን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን፡ ብሰንበት መረጻ ቤት ምኽሪ ብምትዕንቓፍ ሓድሕዶም ክካሰሱ ተሰሚዖም ነይሮም፡፡ እቲ ወጥሪ ኣብቲ መንግስቲ ኣንጻር ኣልሻባብ ዘካይዶ ኲናት ኣሉታዊ ጸቕጢ ክፈጥር ከምዝኽእል ተንተንቲ ስግኣቶም ይገልጹ፡፡ ፕረዚደንት ፎርማጆ ካብቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብተወሳኺ ንኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሶማልያ፡ ጀነራል ኣብዲሓሚድ መሓመድ ድሪር እውን ካብ ሓላፍነቱ ኣጊድዎ ኣሎ፡፡ እቶም ካብ ሓላፍነቶም ተኣጊዶም ዘለዉ ሰበስልጣን እቲ ዝካየድ ዘሎ ምርመራ ክሳብ ዝውዳእ ከምዝኾነ ተገሊጹ፡፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ሮብለ፡ ሓይልታት ጸጥታ ከምዝተዋፈሩ ዝተሓበረ ኮይኑ፡ ሓጋዚ ሚኒስትሪ ሓበሬታ ዓብዱረሒም ዩሱፍ ኣዳል ግና እዚ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ስርሑ ካብ ምስራሕ ከምዘየተዓናቕፎ ኣፍሊጡ፡፡ ንሱ ‘‘ሰኑይ ንጉሆ ዝፍጸም ዘሎ ነገር ዘይቀጥታዊ ዕልዋ መንግስቲ እዩ፤ ኮይኑ ግና ኣይዕወትን’’ ኢሉ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም፡ ቅትለት ሓንቲ ሰራሕተኛ ድሕነት ስዒቡ ምስ ዝካየድ ምርመራ ብዝተኣሳሰር፡ ፕረዚደንት ፎርማጆ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ሮብለ ሰብመዚ ናይ ምሻምን ምውራድን ስልጣን ከልኪሉ ነይሩ፡፡ ኣብ መንጎ እቲ ፕረዚደንትን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ዘሎ ዘይምቅዳው ዝጸንሐ ኮይኑ፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሚያዝያ ስልጣኑ ብኽልተ ዓመት ምስኣናወሐ እዩ ተጀሚሩ፡፡ ነዚ ስዒቡ ናይ ክልቲኦም ደገፍቲ ዝኾኑ ኣባላት ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቓድሾ ዝርከቡ ወሰንቲ ቦታታት ብምሓዝ ናብ ጎንጺ ኣትዮም ነይሮም፡፡ እቲ ጎንጺ ፕረዚደንት ፎርማጆ ንቀዳማይ ሚኒስተር ሮብለ ሓላፊ ትካል ድሕነት እታ ሃገር ገይሩ ምስሸሞን ተናዊሑ ዝነበረ መረጻ ኣባላት ቤት ምኽሪ ክካየድ ምስተሰማምዑን ሃዲኡ ነይሩ፡፡ እቲ ኣብ መንጎ እቶም ቀንዲ ፖለቲከኛታት ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ከይኸውንን ኣብ መንጎ ደገፍቶም ወታሃደራዊ ጎንጺ ከይውላዕን ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ፡፡","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59803193"} {"headline":"ሶማሊላንድ: ሞቓዲሹ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያታ ጣልቃ ካብ ምእታው ክትቑጠብ ኣዘኻኺራ","content":"ናይ ገዛእ ርእሳ ናጽነት ዝኣወጀት ሶማሊላንድ፡ ፌደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያታ ጣልቃ ካብ ምእታውን ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ንምርካብ እትገብሮ ጻዕሪ ካብ ምዕንቃፍን ክቑጠብን ኣዘኻኺራ። እቲ ምትእትታው ኣብ ሞንጎአን ጽልኢ ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ዘምጽኦ ሳዕቤን ከምዘየለ ካቢነ ሶማሊላንድ ኣፍሊጡ። እቲ ካቢነ ነዚ መግለጺ ዝሃበ፡ ሚኒስተር ትልሚ ሶማልያ ጀማል መሓመድ ሓሰን፡ ነቲ ንነጻነት ሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃብ ዝብል እማመ ዘቕረበ ኣባል ፓርላማ ብሪጣንያ ጋቪን ዊልያምሰን ብትዊተር ተሪር ምላሽ ድሕሪ ምሃቡ እዩ። ናይ ብሪጣንያ ሚኒስተር ጉዳያት ኣፍሪቃ ቪኪ ፎርድ ብወገና \"እቲ ውሳነ ንሶማሊላንድን ንፌደራላዊ መንግስቲ ሶማልያን ዝምልከት እዩ\" ኢላ። እታ ኣብ ገማግም ወሽመጥ ዓደን እትርከብ ሶማሊላንድ ኣብ 1991 እያ ካብ ካልእ ክፋል ሶማልያ ናጽነታ ኣዊጃ። ክሳዕ ሕጂ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ እኳ እንተዘይረኸበት፡ ንጡፍ ፖለቲካዊ ስርዓት፣ መንግስታዊ ትካላት፣ ሓይሊ ፖሊስን ናታ ባጤራን ኣለዋ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60083364"} {"headline":"መረጻ ሶማሊላንድ፡ እታ ሃገር እተካይዶ መረጻ ዓለምለኻዊ ተቐባልነት ክትረክብ ይሕግዛ ዶ ይኸውን?","content":"ህዝቢ ሶማሊላንድ እቲ ሎሚ ሰኑይ [31 ግንቦት 2021] ዝካየድ ዘሎ መረጻ ብደረጃ ዓለም ከም ሃገር ተቐባልነት ንኽረኽቡ ዕድል ከም ዘምጽኣሎም ተስፋ ገይሮም ኣለዉ። እታ ሃገር ካብ ሶማሊያ ናጽነታ ካብ እትእውጅ ክሳብ ሎሚ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ኣይረኸበተን፤ ግን ናይ ባዕላ ፓስፖርት፣ ገንዘብ፣ ባንዴራ፣ መንግስትን ሰራዊትን ብምሓዝ ካብ እትቐውም ዓመታት ተቖጺሮም። “ሶማሊላንድ ኣብዚ ዓመት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዴሞክራሲያዊ መረጻ ዝተኸየደላ ብሕታዊት ቦታ ክትኸውን ትኽእል’ያ” ይብል ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ሪፍት ቫሊ ማርክ ብራድበሪ። ንሓሳብ ብራድበሪ ዝድግፍ መርገጺ ዘለዎ ምኽትል ናይቲ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ኩልሚየ ኣሕመድ ድሂሬ ብወገኑ “እዚ መረጻ ክንድምንታይ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ክገልጾ ኣይክእልን። ዕውት መረጻ እንተኣካይድና ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብርሃን ጸሓይ ክንኸውን ኢና” ይብል። ሶማሊላንድ ኣብቲ ዞባ ካብ ዘለዋ ገለ ሃገራት ዝሓሸት ዴሞክራሲያዊት ክትኸውን ትኽእል’ያ፤ ግን ከኣ ዘለዋ ስርዓት ምሉእ ዝበሃል ኣይኮነን። ኣብታ ሃገር ፓርላመንታዊ መረጻ ካብ ዘይካየድ ልዕሊ 10 ዓመታት ተቖጺሮም’ዮም። ኣባል ተቓዋሚ ውድብ ዋዳኒ ዝኾነ ሀርሲ ዓሊ ሓጂ በቲ ምድንጓይ ንኣባላት ፓርላማ ተሓተትቲ ይገብር። “መብዛሕቲኦም ኣባላት ባይቶ ስሱዓትን ንነብሶም ዝፈትዉን እዮም። ን15 ዓመታት ኣብቲ መንበር ኮፍ ኢሎም ሰቢሖም’ዮም፤ መንበሮም ክህቡ ድልየት የብሎምን። መንግስቲ’ውን ካብዚ ንነዊሕ እዋን ዘይተለወጠ ኩነታት ተረባሓይ ኮይኑ ብምጽንሑ ይነቕፎ’የ” ክብል የረድእ። ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት ኣብ ሶማሊላንድ ካልኦት ጸገማት እውን ኣለዉ። ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ እታ ሃገር ካብ ውሑዳን እንዳታት\/ቀቢላታት ዋላ ሓደ ተወካሊ ብኣባላነት ኣይሓቖፈን። ካብ 82 ኣባላት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ትርከቦም። ኣብ መረጻ ንምስታፍ ምድላው ዝገብሩ ዝነበሩ ሓሙሽተ ሕጹያት ተቓወምቲ ሰልፍታት ዝተኣሰሩ ኮይኖም፤ መንግስቲ ንመራኸቢ ብዙሃን ዘለዎ ኣጠማምታ ትርር ዝበለ’ዩ። ብዙሓት ጋዜጠኛታት ጥቕዓት ተፈጺምዎምን ተኣሲሮምን፤ ማዕኸናት ዜና’ውን ተዓጽየን። ፖለቲካዊ ሰልፍታት ንእንዳታት ጥራሕ ትኹረት ብምግባር ከይውደባን ከይንቀሳቐሳን ንምግባር ጻዕርታት ተገይሮም’ዮም፤ ኣብ መረጻ ድማ ሰለስተ ጥራሕ ክሳተፋ ተፈቒዱ። ኣቦ መንበር ውድብ ፍትሕን ልምዓትን ፈይሰል ወራቤ እቲ ንእንዳታት መሰረት ገይሩ ዝውደብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ሓደጋታት የኸትል ከምዘሎ ይዛረብ። “እቲ ቀቢላዊ ስርዓትና ምስ ዴሞክራሲ ዝኸይድ ኣይኮነን። ክንኣልዮ ኣለና። እንተዘይኮእኑ ግን ዕጫ ሶማሊላንድ ከም ናይ የመን እዩ ክኸውን። ንሓድሕዶም ዝናቖሩ ቀቢላታት ንበዓልቶምን ነታ ሃገርን ይመቓቕሉ ኣለዉ” ክብል ኣረዲኡ። ንሱ እቲ ብላዕለዎት ኣባላት ኩሎም ወሰንቲ ዝበሃሉ ቀቢላታት ዝቖመ ባይቶ ዓበይቲ ዓዲ ወይ ጉርቲ ክፈርስ ከምዘለዎ’ዩ ዝኣምን። “ካብ 1993 ጀሚሩ ተመሳሰልቲ ሰባት’ዮም ኣብኡ ዘለዉ። ሓደ ቀቢላዊ ዓብዪ ዓዲ እንተሞይቱ ብወዱ ይትካእ። እዚ ዴሞክራሲያዊ ኣይኮነን” ክብል ይገልጽ። ሶማሊላንድን ሶማሊያን · እታ ብብሪቲሽ ትሕሎ ዝነነበረት ግዝኣት 1 ሓምለ 1960 ናብ ሶማሊያ ተጸምቢራ · ኣብ 1991 ወተሃደራዊ ውልቀመላኺ ሲያድ ባሬ ካብ ስልጣኑ ምስተኣለየ ናጽነት ኣዊጃ · እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ምስተቐተሉን ከተማታት ምስዓነዋን’ዩ · ሶማሊላንድ 3.5 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ክህልዋ ከሎ፤ ሶማሊያ ድማ 15 ሚልዮን ኣለዋ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ሞሓመድ ዓብዱላሂ ፈርማጆ ኣብ 2020 መረጻ ከምዝካየድ መብጽዓ ኣትዩ’ኳ እንተነበረ ክሳብ ሎሚ ግን ግብራዊ ኣይኮነን። ፈርማጆ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝገበሮ ፈተነ ክሰምረሉ ኣእከኣለን፤ ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ደገፍቱን ተቓወምቱን ብምዃን ኣብ ክልተ ተመቒሎም። ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሓይልታት ድማ ንዝተፈላለዩ ከባብታት ከተማ ሞቓዲሹ ብምቁጽጻሮም ከቢድ ወጥሪ ነጊሱ ምንባሩ ይዝከር። ባንዴራታት ሃገራት ኣብ ሶማሊላንድ ሶማሊያ ንሰላሳ ዓመታት ዝኣክል ብቀቢላዊ ጉዳያትን ብእስላማዊ ዓመጽትን ክተመቓቐል ከላ፡ ሶማሊላንድ ግን ኣብ ሰላማዊ ኩነታት’ያ ጸኒሓ። ብተቐራራቢ ውጽኢት ዝፍጸሙ መረጻታት ተካይድ ኮይና ብፍላይ እቲ ኣብ 2003 ዝተኻየደን ሪያሌ ካሂን ብውሑዳት ኣማኢት መሪሑ ዝተዓወተሉን መረጻ ከምኣብነት ምጥቃስ ይከኣል። እቲ ንመወዳእታ ጊዜ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ናይ 2017 እዩ። ዝተመረጸ ፕረዚደንት ክልተ ጊዜ ሓሓሙሽተ ዓመታት [ብድምር 10 ዓመታት] ከገልግል ስለዝኽእል ድማ እቲ ቀጻሊ መረጻ ኣብ 2022 ክካየድ ትጽቢት ይግበር። ሶማሊላንድ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ሃገር ከምዝኾነት ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ንኽወሃባ ዝነበራ ባህጊ ሰማዒ እዝኒ ኣይረኸበን። ናይ ደገ ሓያላን ሃገራት ጉዳይ ሶማሊላንድ ብሕብረት ኣፍሪቃ ክውሰን ከምዘለዎ ይሕብራ። ይኹን እምበር እታ ከም ሃገር ተቐባልነት ዘይረኸበት ሶማሊላንድ ንዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ምስሓባ ኣይተረፈን። ኣብ ዋና ከተማ ሃርጌሳ ዝረኣዩ ባንዴራታት ሃገራት ቁጽሮም እናወሰኸ ካብ ምምጽኡ ብተወሳኺ ብዙሓት ሃገራት ኣብያተ ጽሕፈት ቖንስላን ወኪላተንን ክኸፍታ ይረኣያ። ጂቡቲ፣ ኢትዮጵያ፣ ቱርኪ፣ ዴንማርክ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ታይዋንን ካብ ሞንጎ እተን ሃገራት እየን። እታ ምስ ሶማሊያ ናብ ምስሕሓብ ዝኣተወት ኬንያ ከምኡ’ውን ግብጺ ኣብ ቀረባ ናይ ምኽፋት ውጥን ኣለወን። ሶማሊላንድ ኣብቲ ኣብ ዓለም ኣጸጋሚ ዝበሃል ኣዝዩ ስትራቴጂካዊ ቦታ ትርከብ። እዚ ድማ ናብ ወሽመጥ ዓደን ከምኡ’ውን ቀይሕ ባሕሪ ዘእትው’ዩ። ሕብረት ሶቪየት ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ንልዕልና ኣሜሪካ ንምፍትታን ብዝብል 4 ኪሎሜትር ንውሓት ዝነበሮ [ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝነውሐ] መዋፈሪ ነፈርቲ ውግእ ኣብ ወደብ በርበራ ምህናጻ ዘገርም ኣይኮነን። ስምምዕ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብዚ እዋን ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ብዝተሓሓዝ ሓያላን ሃገራት ኣብ ሶማሊላንድ ድልየት ከምዝሓድረን ዝግመት’ዩ። ቁጠባዊ ረብሓታት'ውን ኣለዋ። ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንወደብ በርበራ ብ500 ሚልዮን ዶላር ክተልምዖን ክትቆጻጸሮን ዘኽእላ ናይ 30 ዓመታት ስምምዕ ኣብ 2016 ምፍራማ ይዝከር። ንበርበራ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ መገዲ ኣብ ህንጸት ዘሎ ኮይኑ ነታ ወደብ ኣልቦ ዝኾነት ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ጂቡቲ እትጥቀመሉ ወደብ ዘሎ ምጭንናቕ ዘቃልለላ ኣማራጺ ከምዝኸውን ይእመን። ሶማሊላንድ ናብ ሃገራት ወሽመጥ ኣባጊዕን ኣግማልን ዝርከብዎም ሚልዮናት ጥሪት ሰደድ ትገብር። ብዘይካ’ዚ ሃብቲ ተፈጥሮ’ውን ኣለዋ። ዘይተተንከፈ ሃብቲ ነዳዲ፣ ከሰልን ክቡር እምንን ከምእትውንን ይግለጽ ገለ ሰባት እቲ ሎሚ ኣብታ ሃገር ዝካየድ መረጻ ንዘምጽኦ ረብሓ ካብ ልክዑ ብዝሓለፈ ተስፋ ይጽበይዎ። መሪሕነት ውድብ\/ሰልፊ ኩልሚየ ኣቶ ድሂሬ፡ እቲ መረጻ ኣዝዩ ዓብዪ ዝኾነ ሸቶኣ ንኽተዕውት ከምዝሕግዛ ዘለዎ እምነት ይገልጽ። “ነዚ ብትኽክል ክነፈጽም እንተኺኢልና [ከም ሃገር] ተቐባልነት ከምእንረክብ ኢና ንጽበ” ይብል።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57304879"} {"headline":"ሶማልያ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ሶማልያ ስልጣኑ ከናውሕ ምውሳኒ ኮኒንዎ","content":"ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ፕረዚደንት ሶማልያ መሓመድ ዓብደላሂ ፋርማጆ ስልጣኑ ምንውሑ ብምኹናን፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝሕግዝ ልኡኽ ናብታ ሃገር ክሰድድ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ባይቶ ጸጥታን ሰላምን ሕብረት ኣፍሪቃ ሰዓታት ዝወሰደ ዕጹው ኣኼና ድሕሪ ምክያድ እዩ ናብዚ ውሳነ በጺሑ። ሕብረት ኣፍሪቃ ድሕሪ እቲ ብሓሙስ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ኩለን እተን ኣብ ሶማልያ ዝርከባ ሰልፍታት ብመሰረት እቲ ኣብ መስከረም 2020 ዝፈረመኦ ውዕል \"ብቅልጡፍ ዘተ ክጅምራ\" ጸዊዑ ኣሎ። ኣብ መስከረም 2020 ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ሶማልያ፡ ኣመሓደርቲ ዞባታትን ተቃወምቲ ውድባትን ናጻን ርትዓውን ምርጫ ንኽካድ ስምምዕ ተፈሪሙ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብደላሂ ፋርማጆ ስልጣኑ ንክልተ ዓመታት ከምዘናወሖ ምስ ኣፍለጠ፡ እቲ ውሳነ ብኣመሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣውሮጳን ተሪር ነቀፌታ ገጢምዎ'ዩ። እቲ ኣብ መስከረም 2020 ዝተኸተመ ውዕል፡ እቲ ምርጫ ኣብ ሰዓቱ ክካየድ ዝብል ዝነበሮ ኮይኑ፡ ባይቶ ጸጥታን ሰላምን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ውዕል ብምምርኳስ፡ ንውሳነ ፕረዚደነት መሓመድ ዓብደላሂ ፋርማጆ ከምዝኮነኖ ኣፍሊጡ ኣሎ። ባይቶ ጸጥታን ሰላምን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ጉዳይ ጫድ'ውን ዕጹው ዘተ ከምዝገበረ ተፈሊጡ። እንተኾነ፡ ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ፕረዚደንት ጫድ ነበር ኢድሪስ ደበይ ንምስታፍ ናብታ ሃገር ይገሹ ስለዘለዉ ኣብ ሓደ ውዱእ መደምደምታ ከምዘይተበጸሐ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/56856114"} {"headline":"ፌስቡክ ድምጸይ ንምዕፋን ኣብ ረብሓ ይውዕል ኣሎ - ተጣባቒት መሰላት ደቂኣንስትዮ","content":"“ኣብ ሶማሊያ ኣይቐተልናክን፤ ሎሚ ኣብ እንግሊዝ ብናጽነት ትነብሪ ኣለኺ ግን ከኣ ኣብ ፌስቡክ ድምጽኺ ክንዓብሶ ኢና” - ዝብል መጠንቀቕታ ናብታ ተወላዲት ሶማሊያ ዝኾነትን ኣብ እንግሊዝ እትነብርን ተጣባቒት መሰላት ዝበጽሐ’ዩ። ሃና ኣቡበከር ብዝብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ትፍለጥ ሃና ፓራንታ ፌስቡክ ብምጥቃም ነተን ጾታዊ ግሰትን ዘቤታዊ ጥቕዓትን ዝበጽሐን ደቂኣንስትዮ ትሕግዝ። ቅድሚ ሓደ ዓመት ነቲ እትገብሮ ምንቅስቓስ ካብ ዝቃወሙ ሰባት ስልኪ ተደዊሉ ምፍርራሕ ከምዝበጽሓ ትዛረብ። ናብ ፌስቡክ ዝቐርቡ ክስታት ነቲ ካብ ጥቕዓት ነጻ ናይ ምዃን መሰል ንምድፋእ ዘውዕሉ መሳርሒ ኮይኖም የገልግሉ ከምዘለዉ ትዛረብ ሃና። ፌስቡካ ልዕሊ 130,000 ሰዓብቲ ኣለውዎ፤ እንተኾነ እቶም ንማዕርነት ደቂኣንስትዮ ዘይቕበሉ ገለ ሶማሊያውያን ናብ ፌስቡክ ክስታት ብምቕራብ ነቲ ትጥቀመሉ ገጽ ከዕጽዉ ተደጋጋሚ ጻዕርታት ከምዝገብሩ ትዛረብ። ፈተነ ምምራዝ ኣብ እንግሊዝ እትነብር ጓል 44 ዓመት ሃና ፓራንታ ቆልዓ 7 ዓመት ኮይና’ያ ናብ ስዊድን ከይዳ ምንባር ዝጀመረት። ኣብኡ ድማ ብወለንተኣ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኣብ ምሃብ ክትነጥፍ ጀሚራ። ንዝሓለፉ 10 ዓመታት’ውን ኣብ ጉዳይ መሰላት ደቂኣንሰትዮ ግንዛበ ናይ ምዕባይ ስራሕቲ ክትሰርሕ ጸኒሓ። ንሳ ኣብ እንግሊዝ ጉዳይ ጾታዊ ግህሰትን ዘቤታዊ ጥቕዓት ዝኾና ኣባላት ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ሶማሊያ ዓብዪ ቆላሕታ ሂባ ኣብ ምስራሕ ትርከብ። ኣብ ሶማሊያ ከኣ ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ሓገዛት ብምግባር ትፍለጥ። ኣብታ እስላማዊት ሃገር ዘለዉ ዓቃባውያን ጉጅለታት ቀንዲ ስግኣታት እዮም። ናብታ ሃገር ክትገይሽ ከላ ንድሕነታ ብዝብል ብሓለውቲ ተዓጂባ እያ ትንቀሳቐስ፤ ንመወዳእታ ጊዜ ድማ ኣብ ወርሒ መስከረም 2020 ተጓዒዛ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብቲ ዘዕረፈትሉ ሞቓዲሹ ዝርከብ ሆቴል ሓደ ሰብ ናብ መግባ መርዚ ብምእታው ክቐትላ ፈቲኑ ነይሩ። ነቲ መግቢ ስለዘይበልዓቶ ግን ክትተርፍ ኪኢላ። በዚ ከይኣክል ዕጡቓት ሰባት መጺኦም ጨውዮም ክወስድዋ ብምፍታኖም ዓጀብታ ስለዝበጽሑላ እቶም ዕጡቓት ዝሓሰብዎ ከይፈጸሙ ሃዲሞም። ናብ እንግሊዝ ምስተመለሰት ፌስቡካ ብተደጋጋሚ ክዕጸውን ክግደብን ጀሚሩ። ነዚ ዝገብር ድማ ትካል ፌስቡክ’ዩ ነይሩ። ናብቲ ትካል ክስታት ብምቕራብ ፌስቡካ ክዕጸው ዝጽዕሩ ሰባት ድምጻ ንምዕፋን ብምሕሳብ ከምዝኾነ ትኣምን። ምስ ፌስቡክ ንምዝርራብ ጻዕሪ’ኳ እንተገበረት፤ እቲ ትካል ብሓሶት ንዝቐርቡ ክስታትን ጥርዓናትን ክመምይ ወይ ክቆጻጸር ከምዘይከኣለ ትዛረብ። በዚ ምኽንያት ከኣ ግዳይ ዝተወደበ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዝኾነት ትሓስብ። ‘ጽላሎት እገዳ’ “ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ንፌስቡክ ክረኽቦም ፈቲነ ኔረ። ኩሉ ነገር ነጊረዮም። እዞም ጉጅለ ንፌስቡከይ ከዕጽዉ ከምዝደልዩን መፈራርሕታት ከምዝበጽሑንን ኣፍሊጠዮም። ዝሰምዓኒ ግን ኣይረኸብኩን” ትብል ሃና። እቶም ኣብ ልዕሊኣ ክስታት ዘቕርቡ ሰባት “ንሰባት ዒላማ ዝገበሩን ክስታት ዘቕርቡን ልዕሊ 300 ኣባላት ዝሓቖፈ ጉጅለ ፌስቡክ መሴንጀር” ከምዘለዎም ትኣምን። ሓደ ደጋፊኣ ናብቲ ጉጅለ ብሕቡእ ተጸምቢሩ ኣብቲ ጉጅለ ዝባሃሉ ነገራት ብስእሊ ሒዙ ልኢኹላ ነይሩ። ነዚኦምን ካልኦት ክስታትን ናብ ፖሊስ እንግሊዝ ምስኣቕረበት ናብ ኩባንያ ፌስቡክ እውን ሲዲዳቶ። ፌስቡክ ነቶም ኣብ ልዕሊኣ ዝቐርቡ ክስታት ምጽራይ ከይገበረሎም ክዓጽዋ ምኽኣሉ ሻቕሎም ከምዝፈጠረላ ሃና ትዛረብ። ቢቢሲ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ካብ ፌስቡክ መብርሂ ንምርካብ ድሕሪ ምፍታኑ ገለ ኣብ ልዕሊ ናይ ፌስቡክ ገጻ ተነቢሮም ዝጸንሑ ገደባት ከምዝተልዓሉ ሓቢራትና። ንኣብነት ብቐጥታ እናኣተወት ተመሓላልፎ ዝነበረት ፈነወ ክትቕጽለሉ ኪኢላ። ፌስቡክ ነቐፍቲ ርእይቶታት ምሃብ ከምዘፍቅድ ዝሓበረ ወሃቢ ቓል እቲ ትካል፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት “ጥቕዓት ወይ ግህሰት” ምፍጻም ግን ከምዝግድብ ገሊጹ። “ቀልብና ንዝሰሓቡ ዓመጽ ዘለዎም ትሕዝቶታት ኣሊና ኢና” ብምባል ኣብዚ እዋን ኣብ ኣካውንታት እታ ውልቀሰብ ዝተነበሩ ገደባት ከምዘየለዉ ተዛሪቡ። ሃና ፓራንታ ግን ሎሚ’ውን እንተኾነ ኣብ ልዕሊኣ “ጽላሎት እገዳ” ከምዘሎ ትገልጽ። ነዚ ከም መረዳእታ እተቕርቦ ድማ እትጥቅዖም ትሕዝቶታት ናብ ሰዓብታ ዝበጽሑሉ ኩነታት ዝደኸመ ምዃኑ’ዩ። ሓደሽቲ ሰዓብቲ ብዙሕ ዘይምርካባን ትኽክለኛ ዋና ፌስቡክ ኣካውንት ንምፍላይ ዝግበር ምልክት [‘ብሉ ቲክ’] ክትወሃብ ዘይምኽኣላን ተወሰኽቲ ቅርታታት ሃና እዮም። ምልመላ ደቂኣንስትዮ ኣብ ልዕሊ ናይ ፌስቡክ ገጻ ብቐጻሊ ክስታት ዘቕረቡ በዓል መን’ዮም? ንዝብል ሕቶ እቲ መልሲ ዝበዝሓ ደቂኣንስትዮ ከምዝኾና የመልክት። ጋዜጠኛን ጎስጓሲት ጥዕና ኣእምሮን ኣሚና ሙሴ፡ ነቶም ናብ ፌስቡክ ክስታት ዘቕርቡ ጉጅለ ዝጸሉ ሓደ ፍሉጥ ሶማሊያዊ ምህላዉ ከምዘረጋገጸት ትዛረብ። ንሱን ካልኦት ደቂተባዕትዮን ኣብ ደገ ንዝነብራ ሶማሊያውያን ደቂኣንስትዮ ብምምልማል፡ ኣንጻር ፍሉጣት ተቓለስቲ መሰላት ደቂኣንስትዮ ንዝገብርዎ ቃልሲ ከምዝጥቀሙለን ኣሚና ትገልጽ። “ሓዳረን ዝፈትሓን ስራሕ ዘይብለንን ኣደታት ወይ መቕርቦም’ዮም ዝምልምሉ። ኣብ ብሕታውነት ዘለዋ ከምኡ’ውን ካብ ንሃገረን ካብ ዘለወን ስምዒት ኣዝየን ዝረሓቓን ይመርጹ” ክትብል ነቲ ኩነታት ተረድእ። ገንዘብ ብምሃብ ድማ ዝደለይዎ ነገር ክፍጽማ ይገብረወን። በዚ መሰረት ኣንጻር ተጣበቕቲ መሰላት ደቂኣንስትዮ ዝኾና ሶማላውያን ዝኾኑ ሰፋትሕቲ ጎስጓሳት የካይዳ። ሃና ፓራንታ ሓንቲ ካብተን ግዳያት’ያ። “መራሒ እቲ ጉጅለ ዝኾነ ውልቀሰብ ፈለማ ‘ኣካላት ደቂሰብ ተዘዋውር እያ’ ይብለኒ ነይሩ። ጸኒሑ ‘ሶማሊያውያን ደቂኣንስትዮ ናብ ንግዲ ወሲብ ተዋፍር እያ’ ኢሉ። ብድሕሪኡ ከኣ ንሶማሊያ ናብ ክርስትያን ሃገር ንምቕያር ትፍትን ኣላ’ ክብል ተዛሪቡ” ትብል ሃና። ከምዚኦም ዝበሉ ፕሮፓጋንዳታት ድማ ኣብ ልዕሊ እትጥቀመሉ ፌስቡክ ብዙሓት ክስታታት ክቐርቡ ምኽንያት ይኾኑ። ብዙሓት ከም ገበነኛ ገይሮም ስለዝቖጽርዋ ኣብ ስርሓ ጽለዋ ኣሕዲሩ’ሎ። ሃናን ኣሚናን ሓደ ሕቶ የልዕላ - ‘ፌስቡክ ስለምንታይ ኣብቶም ዝቐርቡ ክስታት እኹል ምጽራይ ዘይገብር?’ ካብ ማሕበረሰብ ሶማሊያ ዝተረኸባ ደቂኣንስትዮ ብምዃነን እቲ ጉዳይ ቆላሕታ ከምዘይረኸበ ይኣምና። ጋዜጠኛ ኣሚና ነዚ ጸገም ኣብ ምፍታሕ ፌስቡክ ዓብዪ ሓላፍነት ከምዘለዎ ብምግላጽ ነዚ ክገብር እንተኾይኑ ድማ ስራሕቲ ትርጉም ዝዓሙ ብዙሓት ሶማሊያውያን ክቖጽር ከምዘለዎ ትምዕድ። ፌስቡካ ሕዚ’ውን ምዕጻዉ ከይቕጽል ዘስግኣ ሃና ብወገና እተን እትሕግዘን ደቂኣንስትዮ ብዘይደጋፊ ከይተርፋ ስክፍትኣ ትገልጽ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58487201"} {"headline":"ሶማልያ፡ ኣብ ዞባ ፑንትላንድ 21 ኣባላት ኣልሸባብ ብጥይት ተቐንጺሎም","content":"ኣብ ሶማልያ፡ ሓውሲ ርእሰ ምምሕዳር ፑንት ላንድ ኣባላት ኣልሸባብ እዮም ዝተባህሉ 21 ደቂ ተባዕትዮ ብጥይት ተቐንጺሎም። እቶም 21 ደቂ ተባዕትዮ ብወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ጋልካዮ ኣባላት እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ምዃኖም ምስ ተረጋገጸ ብሞት ክቅጽዑ ተበይንዎም። ብመሰረት ብይን እቲ ቤት ፍርዲ እቶም ኣባላት ኣልሸባብ'ዮም ዝተባህሉ 21 ደቂ ተባዕትዮ ብጥይት ተቐቲሎም። መንግስታዊት ሬድዮ ሶማሊላንድ፡ 18 ካብቶም ብሞት ዝተቐጽዑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ቅንጸላን ናይ ቦንባ መጥቃዕትን ከካይዱ ምጽንሖም እኹል መርትዖ ከም ዝተረኸቦም ገሊጻ። እቶም ኣባላት ኣልሸባብ ዝተባህሉ 21 ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝተቐትሉሉ፡ ጉጅለ ኣልሻባብ ኣብ ካልእ ክፋል ሶማልያ መጥቓዕቲ ብምክያድ ወተሃደራት መንግስቲ ከም ዝቐተለ ተገሊጹ። ኣቐድም ኣቢሉ'ውን ኣብ ካልእ ክፋል ሶማልያ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ኣልሸባብ'ዮም ዝተባህሉ ናይ ሞት መቅጻዕቲ ክካየድ ጸኒሑ እዩ። እዚ ኣብ ፑንትላንድ ዝተኻየደ ግን ብቁጽሪ እቲ ዝበዝሐ ምዃኑ'ዩ ዝንገር። ሰብ መዚ ፑንትላንድን ንኣባላት ኣልሸባብን ምስ ኣልሸባብ ዝተሓባበሩን ናብ ሕጊ ኣቕሪቦም ዝግብኦም መቅጻዕቲ ከም ዝህቡዎም ብተደጋጋሚ ቃል ክኣትዉ ይስምዑ። ኤዲተር ቢቢሲ ኣፍሪቃ ዊል ሮዝ ግን እስላማዊ ጉጅል ኣልሸባብ ሕጂ'ውን እንኾነ ንርግኣት ሶማልያ ኣዝዩ ስግኣት ምዃኑ'ዩ ዝሕብር። እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ዝዓበየ ክፋል ደቡባውን ማእከላይን ክፋል ሶማልያ ተቖጻጺሩ ከም ዘሎ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ብሂራር ኢንስቲቱት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ይሕብር። እቲ መጽናዕቲ እቲ እስላማዊ ጉጅል ልዕሊ መንግስቲ ሶማል ባጀት ከም ዘለዎ'ዩ ዝገልጽ። እቲ ቅትለት 21 ኣባለት ኣልሸባብ ብሰንበት ኣብ ዝተኻየደሉ፡ ዕጡቓት እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ ዞባ ሙዱጉ ንእትርከብ ከተማ ዊሲል ተቖጻጺሮማ። ኣባላት ኣልሸባብ ኣብታ ከተማ ዝነበረ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣብ ዝተቆጻጸሩሉ ብውሕዱ 20 ወተሃደራት መንግስቲ ከም ዝቐተሉ ገለ ጸብጻባት ይሕብሩ።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57632679"} {"headline":"ምምሕዳር ጆ ባይደን ኣብ ሶማልያ ፈላማይ ደብዳብ ነፈርቲ ፈፂሙ","content":"ኣሜሪካ፡ ኣብ ሰሜን ሶማልያ ጋልካዮ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ፡ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ኣልሸባብ ደብዳብ ኣየር ከምዝፈፀመት ኣፍሊጣ። እቲ ትማሊ ሰሉስ ዝተፈፀመ ደብዳብ ኣየር፡ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ናብ መንበረ ስልጣን ካብ ዝመፅእ ንነዘ ፈላማይ ከምዝኾነ ተገሊፁ። ወሃቢት ቃል ሰራዊት ምክልኻል ኣሜሪካ ሲንዲ ኪንግ፡ ኣሜሪካ፡ ብኣልሸባብ መጥቃዕቲ ንዝበፅሖ ሰራዊት ሶማልያ ክትድግፍ ምፅንሓ ተዛሪባ። በዚ መጥቃዕቲ ኣየር ዝበፅሐ መጠን ጉድኣት ይዳሎ እኳ እንተሃለወ፡ ኣፈናዊ ፀብፃባት ከምዝሕብርዎ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጉድኣት ከምዘይበፅሐ እታ ኣፈኛ ሓቢራ። ፕረዝደንት ጆ ባይደን መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ገዲቡ እዩ። ፕረዝደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ግዘ ስልጣኑ ኣብ ሶማልያ መጥቃዕትታት ኣየር ክዛይድ ከምዝገበረ ይፍለጥ። እንተኾነ ካብ መንበረ ስልጣኑ ክለቅቕ ኣብ ዝተቓረበሉ እዋን፡ ኣብ ሶማልያ ተዋፊሮም ዝነበሩ ልዕሊ 700 ፍሉይ ሓይሊ ንክወፅኡ ኣዚዙ። ንደቡባውን ማእኸላይን ሶማልያ ተቖፃፂሩ ዝርከብ ኣል ሸባብ፡ ብሕቡራት መንግስታት ኣብ ልዕሊ ዝድገፍ መንግስቲ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ይፍፅም።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57919907"} {"headline":"መራሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ሶማልያ ኣብ ጉዳይ ምርጫ ተሰማሚዖም","content":"መራሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ሶማልያ፡ ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ዝወሰደ ቅልውላውን ዕግርግርን ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከካይዱ ከም ዝተሰማምዑ ካብ መቃድሾ ዝወጸኣ ጸብጻባት ሓቢሮም። በዚ መሰረት ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ መሓመድ ሑሴን ሮብለን ዞባዊ ኣመሓደርትን፡ ነቲ መስርሕ ምርጫ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ከጅምርዎ ከም ዝተፈራመሩ ተገሊጹ። ኣብ ሶማልያ፡ መራሕቲ ቀቢላታት ባይቶ እታ ሃገር ክመርጹ እከለው፡ እቶም ባይቶ ድማ ሓድሽ ፕረዚደንት ይመርጹ። ፕረዚደንት ሶማልያ መሓመድ ፋርማጆ፡ ዕድመ ስልጣኑ ኣብቂዑ ብዘይ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዕድመ ስልጣኑ ንክልተ ዓመት ከናውሕ ምስ ወሰነ፡ እታ ሃገር ኣብ ፖለቲካውያን ማሕበራውያን ቅልውላው ተሸሚማ ምንባራ ይፍለጥ። ብሰንኪ እዚ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቓድሾ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ተቓወምትን ጎንጺ ተወሊዑ ነይሩ። ንዓሰርተታት ዓመታት ብዝቐጸለ ጎንጺ ዝዓነወት ሶማልያ ኣብ 2012 ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዝተደገፈ መንግስቲ ድሕሪ ምትካሉ ናብ ምርግጋእ ክተምርሕ ጸኒሓ እያ። እንተኾነ፡ ብምኽንያት ምንዋሕ መዓልቲ ምርጫ ዘመነ ስልጣን ፕረዚደንት ፋርማጆ ኣብ ወርሒ ለካቲት ድሕሪ ምብቅዑ ነታ ሃገር ናብ ሓድሽ ዕግርግር ሸሚምዋ ነይሩ። ገለ ዓለምለኻውያን ሓገዝቲ'ውን እቲ ዝህብዎ ሓገዝ ብምቁራጾም፡ መንግስቲ ሕጽረት ገንዘብ ገጢምዎ ምንባሩ ይፍለጥ። እታ ሃገር ኣብ ታሕሳስ 2020 ባይቶኣዊ ምርጫ ክተካይድ ነይሩዋ። እንተኾነ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ዞባዊ ኣማሓደርትን ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ክካየድ ኣይተኻእለን።","category":"ሶማልያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57279247"} {"headline":"ድልየት ሰኔጋላውያን ደገፍተይ እንተዀይኑ ካብ ሊቨርፑል ክወጽእ'የ'","content":"ሰኔጋላዊ ተፃዋቲ ጋንታ ሊቨርፑል ሳድዮ ማኔ ሃገራዊት ጋንትኡ ኣብ መፃረዪ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ-2023 ምስ ቤኒን ኣብ ዝነበራ ግጥም ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ብዛዕባ ምስታ እንግሊዛዊት ጋንታ ዝህልዎ መፃኢ ኣእንፊቱ። ማኔ ኣብቲ ናይ ትማሊ ግጥም ሰለስተ ሸቶታት ብምቑጻር፡ ሃገራዊት ጋንትኡ ኣብ ልዕሊ ቤኒን 3 ብ 1 ተዓዊታ ክትወጽእ ኣኽኢሉ። ንሱ ንሰኔጋል ኣብ ዝተሰለፈሎም 86 ግጥማት 32 ሸቶታት ብምምዝጋብ ኣብ ታሪኽ ነታ ሃገራዊት ጋንታ ዝበዝሐ ሸቶ ዘቑፀረ ተፃዋቲ ክኸውን በቒዑ'ሎ። ምስ እንግሊዛዊት ጋንታ ሊቨርፑል ዘለዎ ውዕሊ ገና ሓደ ዓመት ዝተርፎ ወዲ 30 ዓመት ኮኾብ ተፃዋቲ ሳዲዮ ማኔ፡ ናብ ጀርመናዊት ጋንታ ባየርን ሙኒክ ክኸይድ ከም ዝኽእል ዝሕብሩ ሓበሬታታት ክስምዑ ቀኒዮም'ዮም። ቅድሚ እቲ ናይ ትማሊ ኣንፃር ሃገራዊት ጋንታ ቤኒን ዘካየድዎ ግጥም ኣብ ዝሃቦ ሓፂር መግለፂ፡ ደገፍቱ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ንዘቕርቡሉ ማዕዳ ክሰምዕ ከም ዝኽእል እናዋዘየ ተዛሪቡ። \"ካብ 60 ክሳብ 70 ሚኢታዊት ሰኔጋላውያን ካብ ሊቨርፑል ክወጽእ እንድዮም ዝደልዩ? ስለዚ ነቲ ዝደልይዎ ክገብረሎም እየ\" ክብል ተሰሚዑ። ኣስዒቡ ድማ \"ኣይትሻቐሉ፤ ርሑቕ ኣይኮነን። ኣይትተሃወኹ ኣብ ቀረባ ክትሪኡ ኢኹም፤ ጸገም የብሉን\" ኢሉ። ሰኔጋል ኣንፃር ሃገራዊት ጋንታ ግብፂ ንፍፃመ ፀዋታ ምብቅዓን ንፈለማ እዋን ኣብ ወርሒ ለካቲት ዋንጫ ኣፍሪቃ ከም ዘልዓለት ይዝከር። ኣብቲ እዋን ከኣ ማኔ ዓብዪ እጃም ነይርዎ። ትማሊ ነቲ ግጥማት መፃረዪ ብዓወት ዝፈለመት 'ዘ ቴራንጋ ላየንስ' [ኣናብስ ቴራንጋ'] ብዝብል እትፍለጥ ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል፡ ንማዳጋስካርን ርዋንዳን ኣኸቲላ ንምድባ ክትመርሕ ጀሚራ'ላ።","category":"ኩዕሶ እግሪ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1g9m47759o"} {"headline":"ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ቸልሲ ንኣሜሪካዊ በዓልሃብቲ ክትሽየጥ ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ","content":"እንግሊዛዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ቸልሲ ብ5.2 ቢልዮን ዲላር ብኣሜሪካዊ በዓልሃብቲ ንዝምራሕ ጥምረት ክትሽየጥ ኣብ ዘኽእል ስምምዕ ተበፂሑ። በዓል ሃብቲ ቶድ ቦህሊ ኣብ ኣሜሪካ ንዝርከብ ጋንታ ቤዝቦል ‘ኤል ኤ ዶጀርስ’ ምስ ካልኦት መሻርኽቲ ብምዃን ብፅሒት ዋንነት ኣለዎ። ጋንታ ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ ዝኾነት ቸልሲ ናብ መሸጣ ክትቐርብ ናብ ውሳነ ዝተበጽሐ፤ ወናኒኣ ሮማን ኢብራሞቪድ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ርክብ ኣለዎ ብዝብል ኣብ ልዕሊኡ ማዕቐብ ቅድሚ ምድንጋጉ ከምዝነበረ ይዝከር። ኣብራሞቪች ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ዌብሳይት እታ ጋንታ ብዝዘርግሖ መግለፂ፡ ንቸልሲ ክሸይጥ “ኣዝዩ ከቢድን ንዕኡ ዘሕመሞን ውሳነ” ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ። ብሰንኪ ስግኣት ፓርላማ ብሪጣኒያ “ንጋንታ ቸልሲ ብቕልጡፍ ክሸጣ ከምዝወሰነ ብምሕባር፡ ነቲ ምስ ፑቲን ርክብ ኣለዎ ብዝብል ዝቐረበ ክስታት ምንፃጉ ይፍለጥ። ሓድሽ ወናኒ ቸልሲ ንቸልሲ ክዕድግ ኣብ ስምምዕ በፂሑ ዘሎ ብቶድ ዝምራሕ ሕብረት ንሰብ ብፅሒት (ኣክስዮን) 2.5 ቢልዮን ፓውንድ ክኸፍል’ዩ። እቲ መኽሰብ ከኣ ንግብረ-ሰናይ ክውዕል ናብ ዕፅው ሒሳብ ባንኪ ክኣትው ምዃኑ ተፈሊጡ። ክሌርክ ካፒታል ግሩፕ፣ ማርክ ዋልተርን ስዊዘርላንዳዊ ቢልየነር ሃንስዮርግ ዋይስ ኣብ መሪሕነት እቲ ሕብረት ተሳትፎ ከምዘለዎም ተገሊጹ’ሎ። ንመጠናኸሪ እታ ጋንታ ድማ 1.75 ቢልዮን ፓውንድ ወጻኢ ክገብሩ’ዮም። እቲ መሸጣ ክሳብ መዛዘሚ ወርሒ ግንቦት ከምዝፍጸም ጋንታ ቸልሲ ኣብ ዌብሳይታ ዝዘርግሐቶ ሓበሬታ የመልክት። መስርሕ ርኽክብ እታ ጋንታ ከኣ ካብ ሰበስልጣን ኩዕሶ እግሪ እንግሊዝን መንግስቲ ብሪጣንያን ፍቓድ ከምዘድልዮ ተሓቢሩ። ኣመሪካዊ ኣውፋርን በዓል ሃብት ቦህሊ 4.5 ቢልዮን ዶላር ዝተፃረየ ሃብቲ ከምዘለዎ መፅሄት ፎርብስ ዘውፅኦ ሓበሬታ የረድእ።","category":"ኩዕሶ እግሪ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61361472"} {"headline":"ኲዕሶ እግሪ: ዘመነ ውድድር ፕሪሜርሊግ ዓዲ-እንግሊዝ ብዓወት ማንቸስተር ሲቲ ተዛዚሙ","content":"ዘመነ ውድድር ፕሪሜርሊግ ዓዲ-እንግሊዝ 2021\/2022 ፡ በቲ ትማሊ ሰንበት ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ ግጥም ብዓወት ማንቸስተር ሲቲ ተዛዚሙ። ማንቸስተር ሲቲ ንኣስቶን ቪላ ብምስዓር'ያ ዋንጫ ፕሪሜርሊግ ጨቢጣ ዘላ። ንዝበዝሐ ሸቶ ዘመዝገቡ ዝወሃብ ወርቃዊ ጫማ (ጎልደን ቡት) ናይቲ ዓመተ-ውድድር ፕሪሜርሊግ ድማ ነቶም ማዕረ (23) ሸቶታት ዘመዝገቡ ኣጥቃዓይ ሊቨርፑል ግብጻዊ መሓመድ ሳላሕን ኣጥቃዓይ ቶተንሃም ደቡብ ኮርያዊ ሶን ሁዪን -ሚንን ተዋሂቡ'ሎ። እቲ ንሓለውቲ ልዳት ዝወሃብ ሽልማት ወርቃዊ ጓንቲ (ጎልደን ግሎቭ) እውን፡ ብተመሳሳሊ፡ ነቶም ነፍሲ ወከፎም ኣብ 20 ግጥማት ናይዚ ዝተዛዘመ ዓመተ-ውድድር ልዳቶም ዘየድፈሩ፡ ኣሊሰን ካብ ሊቨርፑልን ኤንደርሰን ካብ ማንቸስተር ሲቲን ተዓዊቶምሉ ኣለዉ። ኣብ ፕሪሜር ሊግ ዓመት 2021-2022 በሓፈሻ 380 ግጥማት ክካየድ እንከሎ፡ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ሓደ ጸወታ 2.82 ሸቶ እንዳተመዝገበ 1071 ሸቶታት ተመዝጊቡ። ማንቸስተር ሲቲ 99 ሸቶታተ ብምምዝጋብ እታ ዝበዝሐት ሸቶታት ዘመዝገበት ጋንታ ክትከውን እንከላ ኖርዊች ሲቱ 23 ሸቶታት ጥራይ ብምምዝጋብ እታ ዝወሓደ ሸቶታት ዘመዝገበት ጋንታ እያ። ብዛይካ እዚ ኖርዊች ሲቲ 84 ሸቶታት ናብ ልዳታ ብምዝራቑ እታ ዝበዝሐ ሸቶታት ዝተመዝገባ ጋንታ እያ። ኤቨርተን 4 ቀይሕ ካርድ ብምርካብ ቀዳማይቲ ክትከውን እንከላ ሊድስ ዩናይትድ 99 ብጫ ካርድ ብምርካብ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ። ተጻወትቲ ቶተንሃም 6 ሸቶታት ናብ ገዛእ ልዳቶም ብምምዝጋብ ቀዳሞት ክኾኑ እንከለዉ። ዋትፎርድ ካብ ዘካየደቶ 38 ጸወታታት 27 ግዜ ስለዝተሰዓረት ዝልዓለ ቁጽሪ ሒዛ ኣላ። ኣብቲ ኩለን 20 ጋንታታት ፕሪሜርሊግ ዝተጋጠማሉ ናይ መወዳእታ መዓልቲ፡ ማንቸስተር ሲቲዶ ሊቨርፑል ትዕወት ትኸውን ዝብል ሕቶ ክሳብ ናይ መወዳእታ ደቓይቕ ቀጺሉ። ሲቲ ኣብተን ቀዳሞት 75 ደቓይቕ፡ ብክልተ ሸቶታት ተመሪሓ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ተጻወታ ኣብ መወዳእታ ብዘርኣይዎ ህልኽን ሓቦን ዝመልኦ ጻዕሪ ኣብ መበል 76 ደቒቕ ብጉንዶጋን ኣቢላ ቀዳመይቲ ሸቶ ኣመዝጊባ። ድሕሪ ክልተ ደቒቕ ድማ ሮድሪ ካልኣይቲ ኣመዝጊቡ። ብነጥቢ ምስታ እግሪ-እግራ ክትስዕባ ዝጸንሐት ሊቨርፑል ማዕረ ኮይነን ድሕሪ ምቕጻል፡ ሲቲ ኣብ መበል 81 ጉንዶጋን ብዘመዝገባ ሸቶ፡ 3 ብ 2 ስዒራ፡ ጸወታ ተዛዚሙ ዋንጫ ፕሪሜርሊግ ክትዓትር ኪኢላ'ላ። እታ ማንቸስተር ሲቲ ክትሰዓረላ ትምነ ዝነበረት ሊቨርፑል ብወገና፡ ኣብቲ ምስ ዎልቭስ ዘካየደቶ ግጥም፡ ጸወታ ክዛዘም 10 ደቒቕ ክሳብ ዝተርፎ 1 ብ 1 ድሕሪ ምቕጻል፡ ኣብ መወዳእታ 5 ደቓይቕ ናይ ምዱብ ግዜ፡ ክልተ ተወሰኽቲ ሸቶታት ኣመዝጊባ፡ 3 ብ 1 ተዓዊታ። እንተኾነ ግን፡ እታ ኣርባዕተ ዋንጫታት ትወስድዶ ትኸውን ክብሃለላ ዝጸንሐ ሊቨርፑል፡ 93 ነጥቢ ዘዋህለለት ማንቸስተር ሲቲ ብሓደ ነጥቢ ስለዝቐደመታ፡ ዝሓሰበቶ ኣይቀንዓን። ሊቨርፑል፡ ኣብ ዝመጽእ ሰንበት ኣብ ዝካየድ ዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ ኣውሮጳ መንወሰደ፡ ሳልሰይቲ ዋንጫ ናይዚ ዓመተ ውድድር ንምዕታር ኣቶኩሮኣ ናብ ፓሪስ ፈረንሳ ክኸውን'ዩ። እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ እታ ራባዓይ ብምውጻእ ኣብ ዝቕጽል ውድድር ቻምፕዮንስ ሊግ ክትሳተፍ ሃሪፋ ዝነበረት ኣርሰናል፡ ዋላ'ኳ ኣብዚ ናይ መወዳእታ ምስ ኤቨርተን ዘካየደቶ ግጥም 5 ብ 1 እንተሰዓረት ክቐንዓ ኣይከኣለን። ኣብ ክንድኣ፡ ቀንዲ መቀናቕንታ ዝኾነት ቶተንሃም ንኖርዊች 5 ብ 1 4ይ ደረጃ ሒዛ'ላ ናብ ቻምፕዮንስ ሊግ ሓሊፋ'ላ። ኣብ መወዳእታ ናብ ታሕተዋይ ዲቪዥን መን ወረደ (ሊድስዶ በርንሊ) ኣብ ዝነበረ ግጥም፡ ብዓወት ሊድስ ተዛዚሙ'ሎ። በዚ መሰረት ካብተን 20 ጋንታታት ፕሪሜርሊግ፡ በርንሊን እተን ኣቐዲመን ከምዝወረዳ ዝተረጋገጻ ዋትፈርድን ኖርዊችን ናብ ታሕተዋይ ዲቪዥን ተመሊሰን ኣለዋ።","category":"ኩዕሶ እግሪ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61545223"} {"headline":"ኣርባዕተ ኤርትራውያን ዳያኑ ኣብ መጻረዪ ግጥም ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ከጻውቱ ተሓርዮም","content":"ኣርባዕተ ኤርትራውያን ዳያኑ ኣብ መንጎ ዩጋንዳን ኒጀርን ንዝካየድ መጻረዪ ግጥማት ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2023 ክዳንዩ ከም ዝተመረጹ ተፈሊጡ። እቲ ግጥም ሎሚ ረቡዕ ሰዓት 4፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ስታድየም ቅድስቲ ማርያም ኪተንደ ዩጋንዳ ዝካየድ ኰይኑ፡ ጸጋይ ሞጎስ ማእከላይ ዳኛ ኮይኑ ከጻውት እዩ። እዮቤል ሚኪኤልን ሲራክ ሳሙኤልን ተሓጋገዝቲ ደያኑ ክኾኑ እንከለው፡ ኢድሪስ መሓመድ ዑስማን ራብዓይ ዳኛ ኰይኑ ተመሪጹ። እዚ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ቀዳማይን ካልኣይን እግሪ ናይ ምድብ ጸወታ ኰይኑ፡ ሳልሳይን ራብዓይን ግጥማት ኣብ ወርሒ መስከረም ክካየዱ'ዮም። ናብ ሃገራት ወጻኢ ንጸወታ ዝገሹ ተጻወትታ ብተደጋጋሚ ክጠፍኡ ዝረኣየላ ኤርትራ ኣብዚ ግጥማት መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2023 ኣይተሳተፈትን። ኣብ ጥቅምቲ 2019 ኣብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ (ሴካፋ) ትሕቲ 20 ዓመት ትሳተፍ ናይ ዝነበረት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣርባዕተ ኣባላት ኣብ ዩጋንዳ ድሕሪ ምስዋሮም ዑቕባ ከም ዝሓተቱ ተጸብጺቡ ነይሩ። ብፍላይ ኣብ 2009 12 ተጻወቲ ኣብ ኬንያ ድሕሪ ምስዋሮም ኣሰልጣኒን ሓደ በዓል ስልጣን ስፓርትን ጥራይ ንኣስመራ ከም ዝተመለሱ ጸብጻባት ናይቲ እዋን ይገልጹ። ሎሚ ሰዓት 4 ድቀ ዝገጥማ ኒጀርን ዩጋንዳን ዛጊት ሓሓደ ጸወታታት ኣካዪደን ኣለዋ። ብቐዳም ኡጋንዳ ብኣልጀርያ 2 ብ 0 ክትሰዓር እንከላ፡ ኒጀር ምስ ታንዛንያ ማዕረ እያ ተፈላልያ። መጻረዪ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ 2023 ካብ 1 ሰነ ጀሚሩ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ንመበል 34 ግዜ ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ 23 ሰነ 2023 ጀሚሩ ኣብ ኣይቮሪ ኮስት ክካየድ እዩ።","category":"ኩዕሶ እግሪ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c51ry99kn75o"} {"headline":"ኣርማ ሕደ-ጾታውያን ዘለዎ ማልያ ኣይለብስን ዝበለ ፍሉጥ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ","content":"ኣባል ፈረንሳዊት ክለብ ፒ-ኤስ-ጂ ዝኾነ ሰኔጋላዊ ተጻዋታይ ኣርማ ሕደ-ጾታውያን ንዘለዎ ማልያ ተሓሲሙ። ኣባል ፈረንሳዊት ክለብ ፒ-ኤስ-ጂ ዝኾነ ኣፍሪቃዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ናይ ሕደ-ጾታውያን ኣርማ ዘለዎ ማልያ ንከይለብስ ካብ ጸወታ ከምዝቦኸረ ተገሊጹ። ወዲ 32 ዓመት ኢድሪስ ጒየ፡ ነቲ ማልያ ንዘይምኽዳን፡ ኣብቲ ብቐዳም ጋንትኡ ዘካየደቶ ግጥም ከምዘይተሳተፈ ጸብጸባት ሓቢሮም። ኣሰልጣኒ ናይታ ጋንታ ማውሪስዮ ፖቸቲኖ፡ እቲ ተጻዋታይ \"ብውልቃዊ ምኽንያት\" ከምዘይተሳተፈ ተዛሪቡ። ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ፈረንሳ ብወገኑ፡ ጒየ ስለምንታይ ካብቲ ግጥም ከምዝቦኾረ መብርሂ ክህብ ሓቲቱ'ሎ። ቢቢሲ ርእይቶ ናይቲ ተጻዋታይ ንምርካብ ንወኪሉ ተወኪስዎ'ሎ። ምስ እንግሊዛዊት ክሪስታል ፓላስ ዝጻወት ሸይኩ ኮታየን ኣባል ጋንታ ዋትፈርድ ኢስማዒላ ሳርን፡ ነቲ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል ብጻዮም ዝኾነ ጒየ ዘለዎም ደገፍ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገሊጾም ኣለዉ። ኮያተ፡ ምስቲ ኣባል ጋንታ ፒ-ኤስ-ጂ ዝተሳእሎ ስእሊ ብምልጣፍ \"ሓቀኛ ሰብኣይ\" ክብል ጽሒፉ። ሳር ብወገኑ፡ ብሰለስቲ ኢሞጂ ልቢ ዝተሰነየ ምስ ጒየ ዝተሳእሎ ስእሊ ብምልጣፍ \"100%\" ከምዝድግፎ ኣሚቱ። እንግሊዛዊት ክለብ ዋትፈርድ፡ ንኣባላ ዝኾነ ሳር ዝጸሓፎ ግብረመልሲ ብምሃብ፡ ንማዕረነትን ብዙሕነትን ዘለዎም ደገፍ ብምግላጽ፡ \"ንሰራሕተኛታቱ ተወሳኺ ትምህርትን ደገፍን ክህብ ድሉው\" ምዃኑ ገሊጹ'ሎ። ኣሰልጣኒ ክሪስታል ፓላስ ፓትሪክ ቬራ ብወገኑ፡ ተጻዋታይ ጋንታኡ ንጒየ ብምድጋፍ እንተጽሒፉ \"ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝግበር ዝርርብ\" ክህልዎ ምዃኑ ተዛሪቡ። ክለባት ፈረንሳ፡ ብኣጋጣሚ 17 ግንቦት መዓልቲ ኣንጻር ጽልኣት ሕደ-ጾታውያን፡ ተጻወተን ቀስተ-ደመና ዝሕብሩ ቁጽሪ ዘለዎ ማልያታት ብምኽዳን ደገፈን ክገልጻ ድሕሪ ዝቐረበለን ዕድመ'ዩ እቲ ኩነታት ኣጋጢሙ ዘሎ። ሰኔጋላዊ ጒየ ኣብ 2019 ብ30 ሚልዮን ፓውንድ ናብ ፒ-ኤስ-ጂ ምስግጋሩ ይፍለጥ። እቲ ካብ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ፈንሳ ዝተላእከሉ ደብዳበ \"ናይ ይቕሬታ መግለጺ ከውጽእ\" ዝጠልብ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ጠቒሱ። ከም ብዓል ኣርጀንቲናዊ ኮኾብ ተጻዋታይ ሊዮነል መሲ ዝበሉ ተጻወቲ ዝሓቖፈት ክለቡ፡ ሎሚ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ግን \"ነዚ ማልያ ምኽዳን ኣዝዩ የሕብነና\" ኢላ ኣላ። ሓያሎ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ሰኔጋል ድማ ነቲ ተጻዋታይ ዘለዎም ደገፍ ይገልጹ ኣለዉ። ፕረዚደንት እታ ሃገር ማኪ ሳል ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ ርእይቶ፡ እስላማዊ እምነት ናይቲ ተጻዋታይ ክኽበር ተማሕጺኑ'ሎ። ሚኒስተር ስፖኣር ማታር ባ ብወገኑ፡ ህዝቢ ሃገሩ ነቲ ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ የከምዝድግፎ ብምግላጽ፡ ምስቲ ተጻዋታይ ናብ ቅድስቲ ቦታ እምነት እስልምና ዝኾነት መካ ኣብ ዝኸድሉ ዝተሳእልዎ ስእሊ ብምልጣፍ ዘለዎ ደገፍ ኣነጺሩ። እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ገለ ኤምሲታት ኣውሮጳ ኣብ ዛምቢያ፡ ንመሰላት ሕደ-ጾታውያን ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ፡ ቀስተ-ደመና ዝሕብራ ባንዴራ ምስቃሎም ኣብታ ሃገር ቁጠዐ ፈጠሩ። ኤምባሲታት ስዊድንን ፊንላንድን፡ ንመዓልቲ ሕደ-ጾታውያን ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ፡ ነታ ኣርማ ማዕረ ባንዴራታት ሃገራቶም ከተንበልብል ምግባሮም ካብ ህዝብን ፖለቲከኛታትን ዛምቢያ ነቐፌታ ኣስዒብሎም ኣሎ። ኣብ ዛምቢያ፡ ሕደ-ጾታዊ ዝምድናታት ብሕጊ ዝተኸልከለ ምዃኑ ይፍለጥ። \"መሰላት ሕደ-ጾታውያን ሰብኣዊ መሰላት'ዩ\" ክብል ኤምባሲ ስዊድን ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። ኣምባሳደር ፊንላንድ ብሸነኹ፡ \"ንሰብኣዊ መሰላት ብሓባር ደው ኢልና ኣለና\" ክብል ገሊጹ።","category":"ኩዕሶ እግሪ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61500354"} {"headline":"ሪያል ማድሪድ ንሊቨርፑል ብምስዓር ኣብ ዋንጫ ‘ሻምፒዮንስ ሊግ’ ኤውሮጳ ዳግም ነጊሳ","content":"ስጳኛዊት ክለብ ሪያል ማድሪድ፡ ትማሊ 28 ግንቦት 2022 ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ መዛዘሚ ጸወታ ሻምፒዮንስ ሊግ ኤውሮጳ፡ ንእንግሊዛዊት ክለብ ሊቨርፑል 1 ብ 0 ብምስዓር ንመበል 14 ግዜኣ ዋንጫ ናይቲ ውድድር ዓቲራ። በዚ ኸኣ እቲ ሊቨርፑል ንሻብዓይ ግዜ ዋንጫ ሻምፕዮንስ ሊግ ክትዓትር ሒዛቶ ዝኣተወት ባህግን ዝገበረቶ ጻዕርን ብመሪር ስዕረት ተዀሊፉ። ቨኒስዮስ ጁንየር ኣብ ካልኣይ እብረ ጸወታ እንኮ ሸቶ ሪያል ማድሪድን ደገፍታን ኣብ ፓሪስ ክሰራሰሩ ገይሩ። እዛ እንኮ ሸቶ 'ቲ ግጥም፡ በታ ዝበዝሕ ግዜ ብመልሰ-መጥቃዕቲ ስግኣታት ትፈጥር ዝነበረት ማድሪድ ኣብ መበል 58 ደቒቕ ዝተረኽበት ኰይና፡ ቨኒስየስ ብየማናይ መስመር መጥቃዕቲ ንዝተቘርጸትሉ ኵዕሶ፡ መስመር 'ኦፍሳይድ' ንስክላ ሞሊቝ ኣብ ወሳኒ ህሞት ዘመዝገባ እያ። ኣብቲ ሊቨርፑል ዳርጋ ብሓደ ሰብ ጸኒዑ ከም ዘምሰየ ዝተገልጸ ዘሎ ዕርዲ ምክልኻል ማድሪድ ክትሰብር ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲታት ዝፈነወት ኰይና፡ ሓላዊ ልዳታ ቲባው ኮርቱዋ፡ ንዅሉ መጥቃዕቲታት ሊቨርፑል ምፍሻል ብውልቁ ኣብ ታሪኽ ዝጥቀስ ፍሉይ ብቕዓት ኣርእዩ። ነቲ ኣብ ተመሳሳሊ ጸወታ ፍጻመ 2018፡ ብሰርጆ ራሞስ ብዝወረዶ ማህረምቲ ብኣጋ ካብቲ ውድድር ምእላዩ ነቒሉ፣ ኣብዚ ናይ ትማሊ ሕነ ክፈዲ ዝደሊ ዝነበረ ኣጥቃዒ ሊቨርፑል መሓመድ ሳላሕ፡ ኮርቱዋ ብቐሊሉ ዝድፈር ኰይኑ ኣይረኸቦን፤ ንሱ ጥራይ 6 ግዜ በቲ ሓላው ልዳት ተዓጊቱ። እዚ ዓወት'ዚ ኢጣልያዊ ኣሰልጣኒ ማድሪድ ካርሎ ኣንቸሎቲ፡ ንራብዓይ ግዜ ዋንጫ ሻምፕዮንስ ሊግ ዝዓተረ ቀዳማይ ኣሰልጣኒ ብምዃን ኣብ ታሪኽ ክሰፍር ኣብቂዕዎ'ሎ። እዚ ዓመት፡ ሊቨርፑል ዘርኣየቶ ብቕዓትን ዘመዝገበቶ ዓወታትን፣ ዋንጫ ካራባኦን ኤፍ.ኤ ካፕን - ክልቲአን ኣንጻር ቸልሲ ብፍጹም ቅላዕ ዝተዓወተትለን - ኣብ መወዳእታኡ ግን ብድርብ ጓሂ ተዛዚሙ። ሻምፒዮን ፕረምየር ሊግ እንግሊዝ ንምዃን፡ ብሓንቲ ነጥቢ ብ ማንችስተር ሲቲ ተበሊጻ ነታ ዋንጫ ከተማዕድዋ እንከላ፣ እዚ ናይ ትማሊ ውድድር ከኣ፡ ብብቕዓት ኮርቱዋ ዋንጫ'ኳ እንተሰኣነት፡ \"ማስተር-ክላስ\" ሓላወቲ ልዳት ዝወሰደትሉ ግን እዩ፡ ተባሂሉ'ሎ። እዚ ቤልጁማዊ ሓላው ልዳት፡ ንሳላሕ \"እሾኽ ኮይንዎ ኣምስዩ፡\" ጥራይ ዘይኰነ፡ ካልኦት ብፍላይ ከኣ ሳድዮ ማነ ንዝሃረማ ኩዕሶ ብብልሓት ከድሕን ምኽኣሉ፡ \"ፍጹም ብሉጽ እዩ ነይሩ፡\" ተባሂሉ። ሊቨርፑል፡ ክሳብ መወዳእታ ሰሙን ናይዚ ዓመተ ስፖርት ታሪኻዊ \"ኳድራብል\" ዓወት ንምጭባጥ ብምድፋእ፡ እቲ ክልተ ግን ኣብ መወዳእታኡ'ኳ እንተዘይተዓወተ፡ ገና ዓቢ ክብሪ ክትወስድ ዘኽእላ ምዃኑ ግን ይእመን። ትማሊ ምሸት፡ እቲ ካብ ስታድዮም ፓሪስ ወጻኢ ብፍላይ ደገፍቲ ሊቨርፑል ዝፈጠርዎ ዕግርግር፣ ፖሊስ ነቲ ዝተፍጥረ ኵነታት ንምቍጽጻር ዝገብርዎ ዝነበሩ ጻዕሪን ተደማሚሩ፡ ንምጅማር 'ቲ ጸወታ ልዕሊ 30 ደቓይቕ ክድንጕ ኣገዲድዎ እዩ። ሊቨርፑል ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ደገፍታ ናብቲ ስታድዩም ክኣትዉ ዘይከኣሉሉ ምኽንያት ምሉእ መርመራ ክግበረሉ ትሓትት ኣላ። ሪያል ማድሪድ፡ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ኣብ ጸወታታት ብዙሕ ጸብለል ኢላ'ኳ እንተዘይጸንሐት፡ ንፓሪስ ሰይንት ጀርመን፡ ቸልሲ፡ ማንቸስተር ሲቲን ሊቨርፑልን ረቲዓ ናብ ሸቶኣ ክትበጽሕ እትኽእል ጋንታ ምዃና፡ ንዅሉ ኣብ ልዕለኣ ዘሎ ሕቶታት መልሲ ትህበሉ። እዚ ናይ ትማሊ ዓወት ምስቲ ዋንጫ ላሊጋ ዝዓተሩሉ ዓወት ተደሚሩ ማድሪዳውያን፡ እቲ ዓመታት ዝጸንሐ ውህሉል ተመኵሮኦምን ርእሰ ተኣማንነትን፡ ካብቲ ዝሓልፍዎ ዘለው ተሪር እዋን ብኸመይ ይሰግሩን ኣብ ዓወት ይበጽሑን መርኣያ ምዃኑ ይግለጽ። ብተወሳኺ፡ እቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ካብ ኤቨርተን ናብ በርናቡ ተመሊሱ፡ ላሊጋን ሻምፕዮንስ ሊግን ዝዓተረ ኣሳልጣኒ ካርሎ ኣንቸሎቲ'ውን ፍሉይ ህሞት እዩ። ኣንቸሎቲ፡ በዚ ራብዓይ ዓወቱ ንታሪኽ ኣብ ርእሲ ምስርሑ፣ ነቶም ናይ ገዛእ ርእሶም 'ኢጐ' ዘማዕብሉ ዓበይቲ ተጻወትቲ ከይተረፈ ከመይ ተመሓድርን ትዕወትን ዘለዎ ምልከት'ውን ኣርእዩ'ሎ። ኣንቸሎቲ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ኣሰልጠንቲ ምዃኑ ደጊሙ ኣመስኪሩዎ ኣሎ።","category":"ኩዕሶ እግሪ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61623055"} {"headline":"ኣፍኮን 2021፡ ንሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ውጽኢት ካብ ዘየዐወትዋ ምኽንያታት እቶም ሓሙሽተ","content":"ኣብቲ ካሜሩን ዘእንገደቶ መበል 33 ዋንጫ ኣፍሪቃ ኣብ ምድብ ሓደ ተደልዲላ ዝተተጻወተት ኢትዮጵያ ፈላሚት ተሰናባቲት ከምዝኾነት ይዝከር። ካሜሩን፣ ቡርኪናፋሶን ኬፕቨርድን ኣብ ዝነበራሉ ምድብ ዝተደልደለት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብኽልተ ስዕረትን ሓደ ማዕረ ውጽኢትን’ያ ተፋንያ ዘላ። ቅድሚ ሎሚ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘአንገደቶ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ ብተመሳሳሊ ክልተ ስዕረትን ሓደ ማዕረ ውጽኢትን ብምምጻእ ከምዝተሰናበተት ይፍለጥ። ንምዃኑ እታ ሃገራዊት ጋንታ ናብ ቀጻሊ ዙር ንኽይትሰግር ዝእግዳ ዘሎ ምኽንያት እንታይ’ዩ? ተጻወትቲ ዝፍጽምዎም ስሕተታት ወይስ ካልእ? ካብቶም ምኽንያታት ዝበሃሉ ነቶም ሓሙሽተ ክንድህስስ። 1. ልምዲ\/ተሞክሮ ኣሰልጣኒ እታ ሃገራዊት ጋንታ ብድሕሪ’ቲ ናይ መወዳእታ ግጥማ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ካብ ሞንጎ ዘልዓሎም ምኽንያታት እቲ ሓደ “ልምዲ” ዝብል ነይሩ። “ብዙሓት መናእሰይ ተጻወትቲ ኣለዉና። ተሞክሮ እናረኸቡ ምስከዱ ከኣ ምምሕያሽ ክረኣይ እዩ። ኣብ ዝቕጽል ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ ተመሊስና ከምእንመጽእ ተስፋ ኣለኒ” ክብል ተዛሪቡ። ንዝተፈላለዩ ናይ ስፖርት ጸብጻባት ዘቕርቡ ምንጪታት ሓበሬታ ዝጽሕፍ ፍሬው ኣስራት ንሓሳብ ኣሰልጣኒ ውበቱ ቅቡል ይገብር። “ሰለስተ ተጻወትቲ ጥራሕ እዮም ኣብ ሕሉፍ ዋንጫ ኣፍሪቃ ተሳትፎ ዝገበሩ። ካብ ሞንጎኦም ሓደ ዝነበረ ሓላዊ ልዳት ጀማል ጣሰው ተጠባባቒ ኮይኑ ከይዱ ነይሩ ግን ከኣ ኣይተሰለፈን፥ ሽመልስ እውን ብምኽንያት ማህሰይቲ ኣይከደን። ጌታነህ ጥራሕ እዩ ክስለፍ ኪኢሉ” ክብል የረድእ። ዝተወሰኑ ተጻወትቲ ድማ ኣብቲ ኣብ ርዋንዳ ተኻይዱ ዝነበረ ናይ ‘ቻን’ ግጥማት ተሳቲፎም ምንባሮም የዘኻኽር ጋዜጠኛ ስፖርት ፍሬው። መብዛሕቲኦም ተጻወትቲ ካብ ፕሮምየርሊግ ኢትዯጵያ ዝተረኸቡ ምዃኖም ዝገልጽ ኣሰልጣኒ ውበቱ፡ ካብዚ ውድድር ልምዲ ከምዝረኸቡ ይገልጽ። ፍሬው ብወገኑ “ኣብዚ ውድድር ዓበይቲ ጋንታታት ዘሰለፋ ኢኳቶሪያል ጊኒን ኮሞሮስን እንተሪኢናየን መብዛሕቲኦም ተጻወትተን ኣብ ታሕተዎት ዲቪዝዮናት ኩዕሶ እግሪ ሃገራት ፈረንሳ፣ ጣልያንን ስፐይንን ዝርከባ ጋንታ ዝጻወቱ እዮም። “ነዚ ብምርኣይ ‘ናትና ተጻወትቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ጥራሕ ስለዝጻወቱ ኢና ውጽኢታውያን ዘይኮንና’ ምባል ዘእምን ምኽንያት ኣይኸውንን። ምናልባት እቲ ናትና ሊግ ካብቶም ታሕተዎት ዝበሃሉ ዲቪዝዮናት ዝነኣሰ’ዶ ይኸውን? ኣይፈለጥኩን” ክብል ድማ ሓሳቡ የጠናኽር። 2. ጌጋታት ወይ ስሕተታት ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ - ዋልያ - ቅድሚ ሎሚ ዝንቀፉሉ ሓደ ጸገሞም ‘ነኣሽቱ’ ዝባሃሉ ስሕተታት ምፍጻም ኮይኑ፤ ኣብዚ ናይ ሎሚ ግጥማት እውን ዝተረኣየ ክፍተቶም ነይሩ። ኢትዮጵያ ኣብቲ ናይ 2013 ደቡብ ኣፍሪቃ ዘአንገደቶ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ ፈለማይ ጸዋትኣ ምስ ዛምቢያ ከምዝገበረት ይዝከር። ኣብቲ እዋን ሓላዊ ልዳት ካብ ቦትኡ ወጺኡ ብዝፈጸሞ ስሕተት ቀይሕ ካርዲ ተዋሂብዎ ተሰናቢቱ። ኣብ ፈላማይ ግጥም ተጻዋቲኻ ብቐይሕ ካርዲ ምስኣን ኣብዚ ናይ ሎሚ ግጥማት እውን ከምዝተደገመ ዝሕብር ጋዜጠኛ ፍሬው “ንቑሓት ዘይምዃንን ንኩዓሳሱ ብልቢ ኣስተብሂልካ ስጉምቲ ዘይምውሳድ ኣብታ ጋንታ ይረኣይ ነይሩ” ይብል። ምስ ካሜሩን 4 ብ 1፣ ኬፕቨርድ 1 ብ 0 ከምኡ’ውን ምስ ቡርኪናፋሶ ማዕረ ሓደ ክትፈላለ ከላ፡ ካብ ሞንጎ እቶም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተቖጸሩ ሸቶታት ገሊኦም ብቐለልቲ ስሕተታት ዝተፈጠሩን ምድሓን ይከኣል ከምዝነበረን ይኣምን። ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ እናተቐባበሉ ናብ ማእኽል ዘስገርዋ ኩዕሶ ተመሊሳ ኣብ ልዕሊኦም ሓደጋ ክትፈጥር ከላ ብተደጋጋሚ ከምዝተርኣየ’ውን ወሲኹ ይገልጽ። ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ ምስ ሓሳብ ጋዜጠኛ ፍሬው ዝሳነ ርእይቶ ኣለዎ። ቅድሚ እቲ ምስ ካሜሩን ዝነበረ ጸዋታ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኬፕቨርድ ኣብ መዛዘሚ ቀዳማይ ፍርቂ ጸዋታ ዘቑጸረታ ሸቶ ቆላሕታ ካብ ምንኣስ ብዝብገስ ስሕተት ከምዝኾነ ተዛሪቡ ነይሩ። 3. ስልቲ ጸዋታ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ምስ ካሜሩንን ኬፕቨርደን ኣብ ዝነበራ ግጥማት ተጻወትታ ብናይተን ሃገራት ተጻወትቲ ብልጫ ክውሰዶም ከሎ ተራእዩ ነይሩ። ኢትዮጵያ እትልለየሉ ኩዕሶ ተቖጻጺርካ ናይ ምጽዋት ስልቲ ብዙሕ ኣይተረኣየን። ምስ ካሜሩን ኣብ ዝነበረ ጸዋታ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ጸዋታ ንብዙሓት ዘገረመ ብቕዓት ከርእዩ’ኳ እንተኽኣሉ፡ ኣብ ካልኣይ ፍርቂ ጸዋታ ግን ብልጫ ተወሲድዎም’ዩ። “ብፍላይ ናብ ክልል ጎል መጋጥምቶም ብምኻድ ዝገበርዎ ምንቅስቓስ ዘዕግብ ኣይነበረን” ዝብል ተንታኒ ስፖርት ፍሬው ኣስራት፡ ኩዕሶ ሒዞም ኣብ ናይ ብዓሎም ቦታ ዕንክሊል ዝብሉ ኮይኖም ከምዝረኸቦምን ናብ ቅድሚት ብዙሕ ይደፍኡ ከምዘይነበሩን ኣረዲኡ። ፍሬው ካልእ ዝተዓዘቦ ክፍተት፡ እታ ሃገራዊት ጋንታ “ፕላን - ቢ” እትብሎ ኣማራጺ ዘይብላ ምንባራ’ዩ። ሓደ ተጻዋቲ ብጉድኣት፣ ብካርዲ ወይ ተቐይሩ ክወጽእ ከሎ ሙሉእ ብሙሉእ ናይቲ ጸዋታ ስልቲ ከምዝቕየር ድማ የረድእ። 4. ዓቕሚ ተጻወትቲ ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ ብድሕሪ እቲ ምስ ካሜሩን ዘጋጠሞም ስዕረት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ተጻወትተይ ናይ ዓቕሚ ምንኣስ ጸገም የብሎምን። ምናልባት ናይ ስነልቦና ድኽመት እንተዘይኮይኑ” ክብል ተሰሚዑ’ሎ። ፍሬው ግን “ነቲ ብግልጺ ዝረኣይ ነገር ዘይምቕባል እዩ” ክብል ንሓሳብ እቲ ኣሰልጣኒ ይቃወም። “ኣብቶም ግጥማት ኩዓሳሶ ተቓሊስካ ምምንጣል፣ ብላዕሊ ዝመጽኣ ኩዓሳሱ ተሻሚኻ ምውሳድ፣ ብክንፊ ገጽ ንዝመፍኡ ኣጥቃዕቲ ዝከላኸሉ ተጻወትቲ ነይሮምና’ዶ?” ዝብል ሕቶ ድማ የልዕል። ፍሬውን ካልኦት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ርእይትኦም ዝሃቦ ደገፍቲ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያን ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ “ተክለ ሰብነት ኢትዮጵያውያን ተጻወትቲ ካብ ናይ ካልኦት ሃገራውያን ጋንታታት ድቕቕ ከምዝብል” ይጠቕሱ። ከም ጋቶች ፓኖም ዝበሉ ንተጋጠምቶም ክጻወሩ ዝኽእሉ ድልዱል ሰብነት ዘለዎም ተጻወትቲ ዝስለፉሉ ዕድል ዘይምርካቦም ንኣፍቀርቲ ኩዕሶ ዘዘራረበ ዛዕባ ኮይኑ ሓሊፉ’ሎ። 5. ኣሰልጣኒ ዝተኸተሎ ስልቲ ኣሰላልፋ አሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ 4-4-3 [ኣርባዕተ ተኸላኸልቲ፤ነኣርባዕተ ናይ ማእኽልን ሰለስተ ኣጥቃዕትን] ኣሰላልፋ ብምጥቃም’ዩ ዝፍለጥ። በዚ መሰረት ንጌታነህ ከበደ ኣብ ቅድሚት፣ ነቲ ኣብ 2013 ኣቆጻጽራ ግእዝ ብዝሒ ሸቶታት ብምምዝጋብ ኮኾብ ዝነበረ ኣቡበከር ናስር ብጸጋም ከምኡ’ውን ንኣማኑኤል ገብረሚካኤል ወይ ዳዋ ቂጤስ ብየማን የሰልፎም። ምስ ቡርኪናፋሶ ኣብ ዝነበረ ናይ መወዳእታ ግጥም ግን ኣርባዕተ ተኸላኸልቲ፣ ክልተ ናይ ማእኽል ተኸላኸልቲ፣ ሰለስተ ናብ ቅድሚት ዝደፍኡ ናይ ማእኽል ተኸላኸልቲ ከምኡ’ውን ሓደ ኣጥቃዓይ ኣሰላልፋ ብምሓዝ’ዩ ናብ ሜዳ ኣትዩ። ብዙሓት ተንተንትን ጋዜጠኛታትን ስፖርት ከምዝብልዎ እንተኾይኑ፡ ኣቡበከር ምስ ኬፕቨርዴ ኣብ የማን ክንፊ፣ ምስ ካሜሩን ኣብ ቅድሚት ከምኡ’ውን ምስ ቡርኪናፋሶ ኣብ ዝነበረ ጸዋታ ብጸጋም ክጻወት ስለዝተገበረ ንዘለዎ ኣቕሚ ጸንቂቑ ከይጥቀም ገይሩ’ዩ። ኣቡበከር ጥራሕ ዘይኮነስ ካልኦት ተጻወትቲ’ውን ካብቲ ንጋንታታቶም ዝስለፉሉ ቦታ ብዝተፈለየ ኩነታት ኣብታ ሃገራዊት ጋንታ ክስለፉ ምግባር ልክዕ ከምዘይኮነ ዝሕብሩ ወሃብቲ ርእይቶ’ውን ኣለዉ። ፍሬው ምስዚ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ብቕዓቶም ጽቡቕ ዘይኮኑ ተጻወትቲ ነታ ሃገራዊት ጋንታ ክጽምበሩ ክግበር ከሎ ብቕዓት እናሃለዎም ብኣሰልጣኒ ከይተሓረዩ ዝተረፉ ከምዘለዉ ይገልጽ። ንመጻኢ? ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕጽል ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ክትሳተፍ እንተኾይና “ግድን ውድድራት ወይ ናይ መጻረዪ ግጥማት ክንጽበይ የብልናን። ተጻወትቲ እናተኣኻኸቡ ናይ ምሕዝነት ግጥማት ብቐጻሊ ምክያድ የድልይ” ይብል ፍሬው። ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝጻወቱ ኢትዮጵያውያን እውን ዝሓሸ ዓቕሚ ከምዘለዎም እንተተፈሊጡ ንሃገሮም ክጻወቱ ጻውዒት ክቐርበሎም ከምዝግባእ ወሲኹ ሓቢሩ። ናይ 2023 ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ ብኣእንጋድነት ኣይቮሪኮስት ዝካየድ ኮይኑ፡ ካብ ካልእ እዋን ብዝተፈለየ ኣብ ሰነን ሓምለን ክካየድ ትጽቢት ይግበር። ኢትዮጵያ ኣብዚ ውድድር ንዝህልዋ ተሳትፎ እተረጋግጸሎም ናይ መጻረዪ ግጥማት ምስ ኣየኖት ሃገራውያን ጋንታታት ከምእተካይድ ኣብ ቀረባ እዋን ክፍለጥ’ዩ።","category":"ኩዕሶ እግሪ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60079779"} {"headline":"ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ካሜሩን እተካይዶ ግጥም ንምርኣይ ኣብ ዝተፈጠረ ምጽቕቓጥ ብውሕድ 8 ሰባት ሞይቶም","content":"ሃገራውያን ጋንታታት ካሜሩንን ኮሞሮስን ንዘካየድኦ ግጥም ዋንጫ ኣፍሪቃ ንምርኣይ ኣብ መእተዊ ስታድየም ብዝተፈጠረ ምጽቕቓጥ ብውሑድ 8 ሰባት ከምዝሞቱን ብዙሓት ከምዝቖሰሉን ተሓቢሩ። ነቲ ግጥም ንምርኣይ ናብ ስታድየም ፖል ቢያ ክኣትዉ ዝደለዩ ኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ከቢድ ምጽቕቓጥ ከምዝነበሩ ዝተፈነዉ ቪድዮታት የርእዩ። ካብ ሞንጎ እቶም ዝሞቱ ሰባት ሓደ ህጻን ከምዝርከቦም፡ ኤኤፍፒ ንሚንስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ብምጥቃስ ጸብጺቡ። ካልኦት ብዙሓት ህጻናት'ውን ውኒኦም ስሒቶም ከምዝነበሩ ተገሊጹ'ሎ። እቲ ስታድየም 60 ሽሕ ሰባት ናይ ምሓዝ ዓቕሚ እንተነበሮ'ኳ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ግን ካብ 80 ሚኢታዊት ዓቕሙ ከይሰግር ተኣጊዱ ነይሩ። ኣተሓባበርቲ እቲ ግጥማት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ድማ፡ ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት ናብቲ ስታድየም ንምእታው ከምዝፈተኑ ኣረዲኦም። ኣብቲ ስታድየም ዝነበረት ጋዜጠኛ ሊዮሳዲያ ቦንግበን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ \"ሰባት ዓውዓው ክብሉ ጀሚሮም። ሽዑ ናብቲ ስታድየም ኣምቡላንስ መጺኣ። ናብቲ ቦታ ተጸጊዕና ክንርእይ እንተፈተንና'ኳ ፖሊስ ግን ናብቲ ምጽቕቓጥ ዝተፈጠረሉ ቦታ ከቕርቡና ኣይከኣሉን\" ኢላ። ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ናይ ዝሞቱ 8 ሰባት ዝርዝር ከምዝበጽሓ'ውን ገሊጻ። ነቲ ጸዋታ ክከታተል ኣብ ስታድየም ዝተረኸበ ጋዜጠና ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኒክ ካቪል፡ \"ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሓበሬታ ክሳብ ዝዝርጋሕ ኣብ ውሽጢ ዝነበርና ሰባት ኣይሰማዕናን ኔርና\" ይብል። ብዙሓት ጫማታትን ካልኦት ስብርባር ነገራትን ኣብ ጥቃ መእተዊ እቲ ስታድየም ከምዝረኣየ ድማ ወሲኹ ሓቢሩ። ላዕለዋይ ተቖጻጻሪ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ - ካፍ - ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ሓደጋን መንቀሊኡን ብዝምልከት ምጽራይ የካይድ ምህላዉ ኣፍሊጡ'ሎ። ኣብቲ ናይ ትማሊ ግጥም ምስ ኮሞሮስ ዝተራኸበት ካሜሩን 2 ብ 1 ስለዝተዓወተት ናብ ርብዒ ፍጻመ ምሕላፋ ኣረጋጊጻ'ላ። ብሰንኪ ኮቪድ ሰለስተ ሓለውቲ ልዳት ዝርከብዎም ብዙሓት ተጻወትታ ክተሰልፍ ዘይከኣለት ኮሞሮስ፡ ኣብ ክፍሊ ምክልኻል ንዝጻወት ቻካር ኣልሃድሁር ናይ ሓላዊ ልዳት ቦታ ክትክእ ብምግባር'ያ ናብ ሚዳ ኣትያ። ነቲ ጸዋታ ብዋና ዳኝነት ዝመርሐ ኢትዮጵያዊ ባምላክ ተሰማ ኣብ ውሽጢ 6 ደቒቓ ንሓደ ናይ ኮሞሮስ ተጻዋቲ ብቐይሕ ካርዲ ከምዘውጽአ ተፈሊጡ'ሎ።","category":"ኩዕሶ እግሪ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60122286"} {"headline":"ወናኒ ጋንታ ቸልሲ ሮማን ኣብራሞቪች ተሰሚሙ ከይኸውን ጠርጢሩ","content":"ሮማን ኣብራሞቪች፡ ወናኒ እንግሊዛዊት ክለብ ቸልሲ ኣብ ጸገም ጥዕና ከም ዝወደቐን፡ ተመሪዙ ክኸውን ከም ዝኽእልን ተሓቢሩ። ሩስያዊ ቢልየነር ሮማን ኣብራሞቪች ብሰንኪ ምስማም ኣብ ጸገም ጥዕና ከም ዝኣተወ ካብ ዝቐርብዎ ምንጪታት ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት። ኣብራሞቪች ንዝርርብ ሰላም ዩክረይንን ሩስያን፡ ኣብ ፈለማ'ዚ ወርሒ ናብ ዶብ ዩክረይን-ቤላሩስ ኣብ ዝገሸሉ እዋን ተመሪዙ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት። እቲ ቢልየነር ኣብዚ እዋን ናብ ዝሓሸ ኵነታት ጥዕና ከም ዝተመልሰን፣ ቃንዛ ዓይንን ምቅርራፍ ቆርበትን ግን ይረኣዮ ምህላውን ተሓቢሩ። ካልኦት ክልተ ንዩክረይን ዝወከሉ ተሸማገልቲ'ውን ግዳይ እቲ ምስማም ከም ዝዀኑ ይዝረብ። እቲ ምስማም፡ በቶም ነቲ ዘተ ንምትእጉጓል ዝሸርሑ ሕሉፋት ፖለቲከኛታት ሩስያ ዝተዋደደ ከምዝኾነ ሓደ ጸብጻብ ኣመልኪቱ'ሎ። ሓደ ስሙ ዘይተገለጸ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ግን፡ \"ከባቢያዊ ለውጢ\" ዘኸተሎ እምበር ምስማም ከምዘይኮነ ምዝራቡ ሮይተረስ ገሊጹ። ኢሆርን ዞቭካቭ ዝተባህለ ሹመኛ ቤተ መንግስቲ ዩክረይን ብወገኑ፡ ንኣብራሞቪች'ኳ እንተዘየዘራረቦ፡ እቶም ልኡኻት ዩክረይን ግን ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ጥዕና ከም ዘለዉን፣ ሓደ ካብኦም'ውን እቲ ሓበሬታ \"ሓሶት'ዩ\" ከም ዝበሎን ንቢቢሲ ተዛሪቡ። \"ቃንዛ ዓይኒ\" ዎል ስትሪት ንምንጪታት ጠቒሱ ከም ዝጸብጸቦ፡ ኣብራሞቪች ከምኡ'ውን ኣባል ባይቶ ዩክረይን ረስተም ኡሜሮቭ ዝርከቦም ተወከልቲ ዩክረይን ድሕሪ እቲ ብ 3 መጋቢት ዘጋጠመ ኵነታት፡ ጥዕናኦም ተመሓይሹ'ሎ። ንኣብራሞቪች ቀረባ ዝኾነ ምንጪ ሓበሬታ'ውን ንቢቢሲ ከምዝገለጾ፡ ኵነታት ጥዕናኡ ተመሓይሹ እቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ኲናት ንኸብቅዕ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ዘተ'ውን ተመሊሱ'ሎ። መንቀሊ ምስማም እቲ ቢልየነር ንጹር ኣይኮነን ዘሎ። ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ኣብራሞቪች ነቲ ብሩስያ ዝተፈጸመ ወራር ኣብ ምዝሕሓል ሓገዝ ክገብር ከም ዝደሊ ከም ዝሓበሮ፡ ብሰንበት ገሊጹ ነይሩ። ኣብራሞቪች፡ ካብ ፈለማ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዙ፡ ብምኽንያት'ቲ ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ዝካየድ ዝርርብ፡ ብተደጋጋሚ ካብ ሞስኮ ናብ ኪቭ ከም ዝተመላለሰ ይግለጽ። ናብ ኪቭ ኣብ ዝገበሮ መገሻ'ውን ንፕረዚደንት ዘለንስኪ ከም ዝረኸቦ ይዝረብ። ኣብ ምጽራይ ገበናት ዘድህብ ጕጅለ መርማሪ ጋዜጠኛ ቤሊንካት ብወገኑ፡ ኣብራሞቪችን ካልኦት ወከልቲ ዩክረይንን፡ \"ምስ ኬሚካላዊ ኣጽዋር ዝመሳሰል ምልክታት ምስማም\" ከምዝተራእዮም ሓቢሩ'ሎ። እቲ ምልክታት፡ \"ኣብ ዓይኒን ቆርበትን ዝፍጠር ነድሪ፡ ከምኡ'ውን ንዓይኒ ዝወግእ ኣቐንዛዊ ስምዒት\" ከምዝኾነ ኣረዲኡ። ኣብራሞቪች ድሕሪ፡ ብ14 መጋቢት ኣብ ተልኣቪቭ፡ እስራኤል ተራእዩ ነይሩ። ንሱ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ርክባት ኣለካ ብዝብል ብሕብረት ኤውሮጳን ብሪጣንያን ማዕቐባት ከም ዝተነበረሉ ይፍለጥ። ብወገኑ ግን ነቶም ክስታት ይነጽጐም።","category":"ኩዕሶ እግሪ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60910667"} {"headline":"ወይን ሩኒ 'መስተ ከይቐትለኒ ይፈርሕ ነይረ'","content":"ወይን ሩኒ ብሰንኪ ዘለዎ ናይ መስተ ጸገማት ክመውት ወይ ሰብ ክቐትል ይኽእል ነይረ'የ ዝብል ስግኣት ከም ዝነበሮ ተዛሪቡ። ማኔጀር ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደርቢ ካውንቲን ንጋንታታት ማንችስተር ዩናይትድን ኢንግሊዝን ብርክት ዝበሉ ሸቶታት ዘቑጸረን ወይን ሩኒ ብዛዕባ ህይወቱ ምስ ቢቢሲ ኣውጊዑ። ንሱ ምስ ኣልኮላዊ መስተን ጸገማት ጥዕና ኣእምሮን ብዝተሓሓዝ ከበድቲ እዋናት ከም ዘሕለፈ ክገልጽ እንከሎ፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ዝነበሮ ዓብዪ ስግኣት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ድማ \"ምናልባት ሞት\" ኢሉ። እዚ ወዲ 36 ዓመት ብዛዕባ ኣብ ሕሉፍ ዝተጋገዮም ነገራት ክዛረብ እንከሎ እውን \"ኣዋልድ፣ ሰቲኻ መኪና ምዝዋር [ዝገበርኩዎ'ዩ] ክኸውን ይኽእል፤ ወይ ዝኾነ ሰብ ምቕታል፣ ንባዕልኻ'ውን ክትቐትል ትኽእል - እዚ እቲ ዝኸፍአ ደረጃ'ዩ\" ክብል ተዛሪቡ። ኣብቲ ግዜ ድማ ፡ \"ንርእሰይን ስድራይን ንምድሓን ሓገዝ ይደሊ ነይረ\" ይብል። እንተኾነ ከም ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ መብዛሕትኦም ጸገማቱ ብሚስጢር ክሕዞም ግድን ከም ዝነበረ'ዩ ዝገልጽ። \"ቅድሚ ዓሰርተ ወይ 15 ዓመት ናብ መቐየሪ ክዳን ክፍሊ ከይደ 'ናይ መስተ ጸገም ኣለኒ፣ ምስ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ይቃለስ ኣለኹ' ክብል ኣይኽእልን። ከምኡ ክገብር ኣይክእልን\" ኢሉ። ሩኒ፡ ኣብቲ ካብ ግዜ ቑልዕነቱ ጀሚሩ ዝነበረ ህይወቱ ንምዝንታው ዝተሰርሐ ሰነዳዊ ምድላው \"ብጣዕሚ ጽቡቕ ቖልዓ\" ከም ዝነበረ ክዛረብ ይስማዕ። ብኣንጻሩ ኣብ ብዙሓት ጎነጻት'ውን ከም ዝተሳተፈ ብግልጽነት ተዛሪቡ። \"ናብ ሳውዝፖርት ከይድና ንብኣስ ነይርና። ቖልዓ 12 ዓመት እየ ነይረ፤ ሽዑ ብብዝሒ ምብኣስ ዓይነይ ተሃሪመ ተሰፍየ ይምለስ\" ኢሉ። ብተወሳኺ ሩኒ፡ ኣብ እዋን ንእስነቱ ናብ ሙዚቃዊ ምርኢት ይኸይድ ከም ዝነበረን ናብ ጸገም ከይኣተወ ከም ዘይምለስን ገሊጹ። ንሱ ምስ ኤቨርተን ኣካዳሚ እናሃለወ ዘጋጠሞ ነገር ክገልጽ እንከሎ \"ኣልኮላዊ መስተ ሒዘ ጽርግያ ይሳገር ነይረ፤ ኣሰልጣንየይ ኮሊን ሃርቨይ ንዓይ ከሕልፍ መኪና ጠጠው ኣቢሉ። ኣብ ቀጻሊ መዓልቲ ካብቲ ስልጠና ጎቲቱ ኣዊጺኡ 'ስማዕ ኣብ ናትካ ዕድመ ካብ ዘለዎ ርእየዮ ዘይፈልጥ ክእለት እዩ ዘለካ፤ ኣይተባኽኖ' ኢሉኒ\" ይብል። ሩኒ ወሲኹ፡ \"ንነብሰይ ኣብ ሕማቕ ቦታ'የ ኣቐሚጠያ። ብኣልኮል ተሰኒፍካ እንከለኻ ከኣ ሕማቕ ውሳነታት ኢኻ እትውስንን ብሳዕቤናቱ እትሳቐን። ግን ንኮሊን ዘለኒ ፍቕሪ ኣይመንዝዐንን\" ኢሉ። ኮሊን በዓልቲ ቤቱ'ያ። ኣብቲ ግዜ ኣልኮል ኣብ ህይወቱ ኣሉታዊ ተራ ከም ዝነበሮ ትዛረብ። \"ሰባት 'ስድራቤቶም ንምእካብ ድዮም ስቕ ኢሎም ብሓንሳብ ዝነብሩ ዘለው?' ክብሉ ይሰምዕ ነይረ። ግን ንፋቐር ኢና። ዝኣኽሎ ተማሂሩ'ዩ ኢለ ይሓስብ። ዳግም ናብ ከምኡ ዓይነት ዘስካሕክሕ ኩነታት ከም ዘይኣቱ ድማ ተስፋ ይገብር\" ኢላ። ወዲ 16 ዓመት ምስ ኮነ ጽቡቕ ሰብነትን ሓያል ክእለትን ዘለዎ ሰብ እዩ ኮይኑ። ንሱ፡ ኣብ እዋን ስልጠና ብሉጽ ተጻዋቲ ምዃኑ ይርዳእ ከም ዝነበረ ይጠቅስ። ብ19 ጥቅምቲ 2002 ክኣ ንርእሱ ምስ ዓለም ተላለየ። መበል 17 ዓመተ ልደቱ ከኽብር ሓሙሽተ መዓልቲ ተሪፈንኦ እናሃለዋ፡ ኤቨርተን ንኣርሰናል ትገጥም ነይራ፤ ጋንትኡ ከም ቴሪ ሄንሪ፣ ፓትሪክ ቬራ፣ ዴቪድ ሲማንን ሶል ኮምፔልን ዝበሉ ተጻወትቲ'ውን ነይሮምዋ እዮም። ኩሎም ብርቱዕ ክእለት ከም ዝነበሮም ዝዛረብ ሩኒ ኣብቲ ጸወታ ናይ ባዕሉ ታሪኽ ክጽሕፍ ድልየት ከም ዝሓደሮ ይዛረብ። \"ወዲ 16 ዓመት እናሃለኹ ዝተጻወትኹዎ ናይ መወዳእታ ጸወታ ነይሩ። 'ሸቶ ከቑጽር ኣለኒ' ኢለ ንነብሰይ ጸቕጢ ይገብረላ ነይረ\" ኢሉ። ኣብ መወዳእታ ሰዓት ኮምፔል ክሕግዞ ጀሚሩ፤ ሩኒ'ውን እቲ ዕድል ኣብ ኢዱ ምህላው ተረዲኡ። ነቲ ጋንታ ትመርሕ ዝነበረትን ናይ ዘይምስዓር ክብረ ወሰን ሒዛ ዝጸንሐትን ኣርሰናል ተሳዒራ፤ ተንታኒ ስፖርት ሲሊቭ ታይልድስሌይ \"እቲ ሽም ከይትርስዑዎ\" እናበለ ሽም ወይን ሩኒ እናጸውዐ ንኹሎም ኣተባቢዑዎም። ሩኒ፡ ኣብ 2004 ኣብ ፖርቹጋል ኣብ ዝተኻየደ ቻምፒዮንሺፕ ኤውሮጳ ቅድሚ ኣብ ጸወታ መስበርቲ እግሪ ምግጣሙን ኣብ ርብዒ ፍጻመ ኢንግሊዝ ንኣአንጋዲት ሃገር ፖርቹጋል ምግጣማን ወርቃዊ ተጻዋቲ ኢንግሊዝ ነይሩ። ሽዑ ወዲ 18 ዓመት እዩ ነይሩ። ኣብ መኽፈቲ እቲ ጸወታ ከም በዓል ሄንሪ፣ ዚነዲን ዚዳኔን ሊላን ቱርማን ንዝሓዘት ጋንታ ፈረንሳ ኣርዒዱዋ እዩ። \"ናይታ ጋንታ ተጻወትቲ ማእኸል ክቐርቡኒ'ውን ይፈርሑ ነይሮም\" ኢሉ። ኣብ ሓደ ጸዋታ፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብ ዓለም ኣለው ካብ ዝብሃሉ ተኸላኸልቲ ሓደ ንዝኾነ ቱርማን ናብ መሬት ኣውዲቑዎ። እዚ ቀይሕ ካርዲ ዘውህብ ጥፍኣት እዩ ነይሩ። \"ናብ ዝባኑ ደይበ፣ ምንጋግኡ ሃሪመዮ፤ ድሓር 'ሕጂ መን ምዃነይ ፈሊጥኻ ኣለኻ' ብዝመስል ጠሚተዮ\" ክብል ሮኒ ይዛረብ። እቲ ጸወታ ግን ክልተ ንሓደ ብዝኾነ ውጽኢት ፈረንሳ ተዓዊታትሉ። ሄንሪ ብዛዕባ ሩ ክዛረብ እንከሎ ግን \"ክትርእዮ እንከለኻ ክዕወት ከም ዝደሊ ትፈልጥ\" ኢሉ። ብ2006፡ ኣሰልጣኒ ጆሲዬ ሞሪኖ ንቼልሲ ሒዙ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ድማ ቼልሲ ኣብ ልዕሊ ማንችስተር ዩናይትድ ጸብለልታ ብምርኣይ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ልዕልነታ ክተረጋግጽ ትደሊ ነይራ። ኣብቲ ዓመት ብ29 ሚያዚያ ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ስታዲያም ስታምፎርድ ብሪጅ ተጋጢመን። ዕውትቲ ጋንታ ፕሪሚየር ሊግ ዝብል መዓርግ ንምውሳድ ክልቲአን ሓንቲ ነጥቢ ጥራይ ይደልያ ነይረን፤ ሰለስተ ንባዶ ድማ ተፈላልየን። \"ሓደሽቲ መጻወቲ ጫማን ነዊሕ መከላኸልን ገይረ ኣትየ፤ ምኽንያቱ ሰብ (ኣንጻር ጋንታ) ክሃርም ኢለ እየ ሓሲበ። እቲ መከላኸሊ ሕጋዊ'ዩ ነይሩ፤ ግን ካብቲ ኣብ ካልእ እዋን ዝገብሮ ዝዓበየ ነይሩ\" ክብል ተኣሚኑ። እንተኾነ ከምቲ ዝሓሰቦ ዘይኮነ ሩኒ ንባዕሉ እዩ ጎዲኡ፤ ሰለስተ ኣዕጽምቲ እግሩ ስለ ዝሰበረ ካብቲ ሜዳ ብቃሬዛ ተጸይሩ ወጺኡ። ነዚ፡ ንባዕሉን ነቲ ሒዙዎ ዝኣተወ መከላኸሊ ዓንካር ዓንካሪቶን በራቒቶን ክኣ ይነቅፍ። ኣብቲ ጊዜ ዋንጫ ዓለም 2006 ይቐርብ ስለ ዝነበረ፡ ሩኒ ካብ መጉዳእቱ መሊኡ እንከይሓወየ ናብ ጋንትኡ ተጸምቢሩ እዩ። \"ኣብቲ ጸወታ ኣካላዊ ብቕዓተይ ልክዕ ኣይነበረን፥ ብዘይምቁራጽ ጸረ ቃንዛ መድሃኒት እየ ዝወስድ ነይረ\" ብምባል ኣብ ቃንዛ እናሃለወ ብምጽዋቱ ኣብቲ ውድድር ብቕዓቱ ክንኪ ከም ዝገበሮ ገሊጹ። ኣብ 2010 ሩኒ ካብ ማንችስተር ዩናይትድ ክሰጋገር ከም ዝደሊ ምስ ገለጸ ንብዙሓት ኣፍቀርቲ ስፖርት ኣሰንቢዱ። \"ንካርሎስ ቴቨስን ሮናልዶን ሸይጥናዮም። ኣብታ ጋንታ ዓብዪ ሽም ዘለኒ ኣነ ጥራይ ተሪፈ\" ይብል። \"ድሓር ናብ ቤት ጽሕፈት ኣሌክስ ፎርግሰን ከይደ 'መደብካ እንታይ'ዩ?' ኢለዮ። 'ውጽኣለይ' እዩ ኢሉኒ\" ኢሉ። ተኸላኸልቲ ማንችስተር ዩናይትድ ዝነበሩ ጋሪ ኔቪልን ሪዮ ፈርዲናንድን ሩኒ ንነገራት ዝኣለየሉ መገዲ ከም ዘበሳጨዎም እኳ እንተገለጹ ንሱ ግን ንፎርግሰን ክሰጋገር ምሕታቱ ልክዕ እየ ነይረ ኢሉ ይኣምን።","category":"ኩዕሶ እግሪ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60329358"} {"headline":"ክርስቲያኖ ሮናልዶ፡ ተሌፎን ሓደ ደጋፊ ዝሰበረሉ ምኽንያት ብፖሊስ ይምርመር ኣሎ","content":"ኣጥቃዓይ ማንቸስተር ዩናይትድ፡ ክሪስትያኖ ሮናልዶ ተሌፎን ሓደ ደጋፊ ብምስባር ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ፖሊስ መርሲሳይድ መርመራ ከም ዝጀመረ ተገሊጹ። ኣብቲ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ጋንታኡ ምስ ኤቨርተን ኣብ ዝገበረቶ ግጥም 1 ብ 0 ተሳዒራ ካብ ሜዳ ኣብ ዝወጽኣሉ ዝነበረ እዋን፡ ንሓንቲ ቴለፎን ክሕምሽሽ እንከሎ ይርአ። እቲ ወዲ 37 ዓመት ሮናልዶ ድሒሩ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ ይቕሬታ ሓቲቱ። ፖሊስ መርሲሳይድ ብቐዳም ኣብ ጉዲሰን ፓርክ ከምዝተፈጸመ \"ዝተገለጸ ጥቕዓት\" መርመራ ይገብር ምህላው ገሊጹ። ኣፈኛ ፖሊስ ከምዝሓበሮ፡ ምስ ክለባት ማንቸስተር ዩናይትድን ኤቨርተንን ብምትሕብባር ይሰርሑ ኣለው። \"እቶም ተጻወትቲ ሰዓት 2፡30 ካብ ሜዳ ይወጽኡ ኣብ ዝነበሩሉ፡ ሓደ ቘልዓ ብሓደ ካብቶም ተጻወትቲ መጥቃዕቲ ተፈጺምዎ\" ኢሉ። ፖሊስ፡ ብካሜራ ንዝተቐድሐ ምስሊ ይምርምርን ብዙሓት መሰኻኽር ዓይኒ የዘራርብን ከምዘሎ'ውን ጠቒሱ። ማንቸስተር ዩናይት ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ሓበሬታ ከም ዝበጽሓን ምስ ፖሊስ ንምትሕብባር ድልውቲ ምህላዋን ገሊጻ። ማንቸስተር ኣብቲ ግጥም ዝወረዳ ስዕረት፡ ናብ ቻምፕዮንስ ሊግ ናይ ምሕላፍ ተስፋኣ ኣጸልሚትዎ እዩ። ሮናልዶ ኣብቲ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ \"ኣብ ከምዚ ዝገጠመና ከቢድ ኵነታት፡ ስምዒታትካ ምቁጽጻር ቀሊል ኣይኮነን፣ እንተኾነ ወትሩ ንሰባት ክነኽብር፡ ዕጕሳትን ነቶም ብሉጽ ጸወታ ዘፍቅሩ መንእሰያት ኣብነታውያን ክንከውንን ይግባኣና\" ኢሉ። ወሲኹ'ውን፡ \"ስለቲ ዘርኣኽዎ ነድሪ ይቕሬታ እሓትት፣ እንተተኻኢሉ፡ ከም መርኣያ ስፖርታዊ ባህሪ፡ ነዚ ደጋፊ ኣብ ሜዳ ኦልድ ትራፎርድ [ናይ ማንቸስተር ዩናይትድ] ናብ ዝካየድ ግጥም ክዕድሞ እደሊ\" ኢሉ።","category":"ኩዕሶ እግሪ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61064365"} {"headline":"ኩዕሶ እግሪ፡ ኣጥቃዓይ ክለብ ሊቨርፑል መሓመድ ሳላሕ ብሉጽ ተጻዋታይ ተባሂሉ ብጸሓፍቲ ተሓርዩ","content":"ኣጥቃዓይ እንግሊዛዊት ክለብ ሊቨርፑል መሓመድ ሳላሕ ብሉጽ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ናይዚ ዓመት ተባሂሉ ብጸሓፍቲ ኩዕሶ እግሪ ተሓርዩ። ግብጻዊ ሳላሕ፡ ኣብዚ ዓመተ ውድድር 2021\/2022 ብድምር 30 ሸቶታት ኣመዝጊቡ'ሎ። እቲ ኣብ ፕሪሜርሊግ ጥራይ 22 ሸቶታት ዘመዝገበ ሳላሕ: ብማሕበር ጸሓፍቲ ጸብጻባት ኩዕሶ እግሪ'ዩ ነቲ ሽልማት በቒዑ ዘሎ። እቲ ምስ ጋንታኡ ሊቨርፑል፡ ኣብዚ ዓመተ ውድድር ኣርባዕተ ዋንጫታት ንምዕታር ዝወናወን ዘሎ ሳላሕ፡ ኣብ 2018 ነቲ ሽልማት ወሲዱዎ ምንባሩ'ውን ይዝከር። ወዲ 29 ሳላሕ፡ ድሮ እቲ ኣብ ዓንዲ-እንግሊዝ ብሳልሳይ ደረጃ ዝስራዕ ዋንጫ ካራቦ ምስ ጋንትኡ ተዓዊቱ'ሎ። ኣውስትራልያዊት ሳም ኬር'ውን ብልጽቲ ጓለንስተይቲ ተጻዋቲት ኩዕሶ እግሪ ኮይና'ላ። ኣባል ጋንታ ደቂ-ኣንስትዮ እንግሊዛዊት ክለብ ቸልሲ ዝኾነ ጓል 28 ዓመት ኬር፡ ኣብዚ ዓመተ ውድድር ጥራይ ንጋንታኣ ቸልሲ 18 ሸቶታት ኣመዝጊባ'ላ። \"ሞን ሳምን፡ ኣብዚ ዓመተ-ውድድር እዚ ኣብ ክለባቶምን ሃገራቶምን ብሉጻት'ዮም ነይሮም\" ክትብል ኣደመንበር ናይቲ ማሕበር ቻሪ ብራውን ተዛሪባ። \"ብዘይካ'ቲ ኣብ ሜዳ ዘርኣይዎ ስራሕ፡ ኣብ ክለባቶምን ሊጎምን መራሕትን ኣብነት ብሉጽነትን\" እዮም ድማ ኢላ። ሊቨርፑል፡ ኣብቲ ብካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ዋንጫ ኤፍ-ኤ ንምዕታር'ውን ንፍጻመ ሓሊፋ'ላ። ኣብ ዝመጽእ 14 ግንቦት ንመጋጥምታ ቸልሲ እንተሲዒራ ድማ፡ ካልኣይቲ ዋንጫ ናይዚ ዓመተ-ውድድር ኣብ ከብሕታታ ክትውንን'ያ። ኣብ ቻምፕዮንስሊግ ኣውሮጳ'ውን፡ ንፍርቂ ፍጻመ በጺሓስ፡ ድሮ ምስ መጋጥምታ ስጳኛዊት ጋንታ ቪላሪያል ኣብ ቀዳማይ እግሪ ጸወታ 2 ብ 0 ብምስዓር፡ ናብ ፍጻመ ንምብጻሕ ዘለዋ ዕድል ኣስፊሓ'ላ። እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ብደገፍቲ ዓቢ ተቐባልነት ዘለዎ ኣሰልጣኒ ክለብ ሊቨርፑል ጀርመናዊ የርገን ክሎፕ፡ ምስታ ክለብ ዘለዎ ውዕል ብክልተ ዓመት ብምንዋሕ ክሳብ 2026 ከምዝጸንሕ ኣፍሊጡ'ሎ።","category":"ኩዕሶ እግሪ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61279768"} {"headline":"ድሮግባ ንፕረዝደንትነት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ሃገሩ ተወዳዲሩ ተሳዒሩ","content":"ውሩይ ኣይቮርያዊ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ ነበር ዲድየር ድሮግባ፡ ንፕረዚደንትነት ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ሃገሩ’ኳ እንተተወዳደረ ክምረጽ ኣይክኣለን። ኣብቲ ትማሊ ቀዳም ዝተኻየደ ምርጫ ያሲን እድሪስ ድያሎ ፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣይቮሪኮስት ኮይኑ ተመሪጹ። እዚ ውሩይ ኣጥቃዓይ እንግሊዛዊት ክለብ ቸልሲ ዝነበረ ዲድየር ድሮግባ፡ ኣብ መጀመርታ ምጽራይ እዩ ተገሊፉ። ድሮግባ፡ ካብቶም ዘድመጹ ሓደ ሕምሲት’ውን ድምጺ ክረክብ ኣይክኣለን። ኣቐዲሙ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ፈደረሽን ዝነበረ ያሲን እድሪስ ድያሎ፡ ንምክትል ፕረዚደንት ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ኣይቮሪኮስት ዝነበረ ሶሪ ዲያያባቲ 63 ብ 61 ስዒሩ’ዩ ሓዲሽ ፕረዚደንት ኮይኑ ተመሪጹ ዘሎ። እቲ ትማሊ ቀዳም ዝተኻየደ ምርጫ ኣብ 2020’ኳ ክካየድ እነተነበሮ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት’ዩ ብተደጋጋሚ ክናዋሕ ጸኒሑ። ቀንዲ ምኽንያት፡ ገለ ንውድድር ንነብሶም ዝሓጸዩ ተወዳደርቲ ኣብ ኣገባብ እቲ ምርጫ ጥርዓናት ከቕርቡ ስለዝጸንሑ’ዩ፤ ሓደ ካብቶም ኣቤትተኦም ከስምዑ ዝጸንሑ ኸኣ ዲደር ድሮግባ’ዩ። ኣብ መወዳእታ፡ ፊፋ ኢዱ ብምሕዋስ መልክዕ ምስ ኣትሓዞ’ዩ እቲ ምርጫ ትማሊ ተኻይዱ። ድሮግባ ንሃገራዊት ጋንታ ኣይቮሪኮስ ልዕሊ 100 ግዜ ዝተሰለፈ ተጻዋታይ ኮይኑ፡ ኣብ 2006 ከምኡ’ውን ኣብ 2010’ውን ንሃገራዊት ጋንታ ኣይቮሪኮስት መሪሑ ኣብ ዋንጫ ዓለም ክሳተፍ ክኢሉ እዩ። ወዲ 44 ዓመት ዲድየር ድሮግባ 4 ናይ ፕሪመርሊግ ዋናጩን 4 ናይ ኤኤፍ ዋናጩን ከምኡ ኸኣ ሓንሳብ ዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ ክዓትር ክኢሉ’ዩ። ምስ ሃጋራዊት ጋንትኡ ብምዃን ሓያለ ዓወታት ዝተጎናጸፈ ድሮግባ፡ ኣብ መጀመርታ ዙር ናይቲ ምርጫ ኣብ ናይ ብዙሓት ግምት ወጻኢ 21 ድምጺ ጥራይ ብምርካቡ’ዩ ካብቲ ውድድር ተገሊፉ። በቲ ውጽኢት ዘይተሓጎሱ ደገፍቲ ናይቲ ንሃገሩ ብዙሕ ዘበርከተ ድሮግባ ድሮ ብመንገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ነቐፌትኦም የስምዑ ኣለዉ። “ፕረዚደንት ክለባት ኣይቮሪኮስት ንድሮግባ ከዲዖም ተስፋ ናይ ኣይቮሪኮስት ኣጸልሚተሞ” ኢሎም ዝጽሓፉ’ውን ነይሮም። ትማሊ ፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣይቮሪኮስት ኮይኑ ዝተመረጸ ያሲን እድሪስ ድያሎ ንዝቅጽል ኣርባዕተ ዓመታት ፕረዚደንት እቲ ፈደረሽን ኮይኑ ክመርሕ’ዩ። ኣይቮሪኮስት ክልተ ግዜ ንዋንጫ ኣፍሪቃ ክትዕወተሉ እንከላ፡ ነቲ ኣብ 2023 ዝካየድ ዋንጫ ኣፍሪቃ’ውን ከተአንግዶ እያ።","category":"ኩዕሶ እግሪ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61207234"} {"headline":"ሰኔጋል፡ ሳድዮ ማነ ብሽሙ ስታድዮም ክስየመሉ እዩ","content":"ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል ዋንጫ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ሃገራት ኣፍሪቃ ክትዕወት ዓብዪ ተራ ዝነበሮ ኮኸብ ጋንታ ሊቨርፑል ሳድዮ ማነ፡ ኣብ ደቡብ ምዕራብ ሰኔጋል ኣብ እትርከብ ከተማ ሰድህዮ ብሽሙ ስታድዮም ክስየመሉ እዩ፡፡ እቲ ኣጥቃዓይ፡ ኣብቲ ብሽም ቴራንጋ ላየንስ እትፍለጥ ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል ምስ ግብጺ ዘካየደቶ ጸወታ ድሕሪ ኣብ ናይ 90 ደቓይቕ ጸወታ ብዘይሸቶ ምፍልላየን፡ ብፍጹም ቅላዕ ተዓዋቲት እትገብር ሸቶ ኣቑጺሩ እዩ፡፡ ማነ ኣብቲ ውድድር ብዘቑጸረን ሰለስተ ሸቶታትን ኣብ ካልኦት ክልተ ሸቶታት ብዝነበሮ ኣበርክቶን ሽልማት ክቡር ተጻዋታይ (ሞስት ቫልዋብል ፕለየር) ወሲዱ እዩ፡፡ ኣብዚ እዋን ድማ ኩዕሶ ሜዳ እታ ዝዓበየላ ክልል ባምባሊ ብሽሙ ከምዝጽዋዕ ከንቲባ ከተማ ሰድህዮ ኣድቦላየ ዲዮፕ ተዛሪቡ፡፡ እቲ ስታድዮም ብሽሙ ክጽዋዕ ዝተገበረ ተወለድቲ ናይታ ክልል ነቲ ተጻዋታይ ዘለዎም ክብርን ኣፍልጦን ንምግላጽ ከምዝኾነ እውን ገሊጹ፡፡ ‘‘ሳድዮ ማነ፡ ብልክዕ እዚ ክብሪ ይግበኦ እዩ’’ ኢሉ። ማነ፡ ኣብታ ዝተወለደላ ከተማ ሆስፒታልን ቤት ትምህርትን ብምስራሕ፣ ኣብ ህንጸት መስጊድን ጸቕጢ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምቅላልን ብዝገበሮ ኣበርክቶ ገንዘብን ስራሕቲ ምግባረ ሰናይን ናይ ሚልዮናት ልቢ ምግዛእ ክኢሉ እዩ፡፡ ቅድሚ እቲ ናይ 2018 ናይ ሻምፒንስ ሊግ ጸወታ፡ ንነበርቲ ባምባሊ ኣብቲ መዓልቲ ጸወታ ዝኽደንዎ ናይ ሊቨርፑል ማልያ ዓዲልዎም ነይሩ፡፡ \"ኣብታ ቁሸት 2 ሽሕ ኣለዉ፡፡ እቶም ደገፍቲ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ጸወታ ተኸዲኖምዎ ናብታ ቁሸት 300 ናይ ሊቨርፑል ክዳውንቲ ልኢኸሎም\" ኢሉ፡፡ ምስ ጋንታ ሪቨርፑል ኮይኑ ዋንጫታት ፕሪምየር ሊግን ሻምፒዮንስ ሊግን ዝወሰደ ብሉጽ ተጻወታይ ኣፍሪቃ ሳድዮ ማነ፡ ዋንጫ ኣፍሪቃ ንሃገሩ ከግዝማ ልዑል ድልየት ነይሩዎ፡፡ ምስ ደቂ ጋንትኡ ብምዃን ነቲ ባህጉ ምስ ኣዐወተ ድማ፡ እቲ ዋንጫ ኣብ ናይ ተጻዋትነት ዕድሚኡ እቲ ዝደመቐ ዓወት ከም ዝኾነ ምግላጹ ዝዝከር እዩ፡፡","category":"ኩዕሶ እግሪ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60366106"} {"headline":"ኵናት ዩክረይን፡ ሮማን ኣብራሞቪች ወናኒ ክለብ ቸልሲ ንከይኸውን ተኣጊዱ","content":"ወናኒ ቸልሲ ነበር ሮማን ኣብራሞቪች ብዓባይ ብሪጣንያ ማዕቀብ ስለዝተገብሉ ዳይረክተር ክለብ ቸልሲ ንከይኸውን ፕሪመርሊግ ዓዲ እንግሊዝ ኣጊዱዎ። ሮማን ኣብራሞቪች ካብ 2003 ኣትሒዙ እዩ ንፕሪመርሊግ ክለብ ቸልሲ ክውንና ጸኒሑ። ብተወሳኺ ትማሊ ቀዳም ደጋፊ ሃዩንዳይ ስሊቭ ምስ ክለብ ቸልሲ ዘለዎ ርክብን ስምምዕን ተወንዚፉ ኣሎ። መንግስቲ ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ሩስያ ንዩክረይን ብምውራራ ኣብ ዝሃቦ ግብረ መልሲ፡ ኣብራሞቪች፡ ከም ክለብ ቸልሲ ዝኣመሰለ ኣብ ብሪጣንያ ዝነበሮ ንብረት ተኣጊዱ ኣሎ። እቲ እገዳ ከኣ ነታ ሩስያዊ ክውንና ዝጸንሐ ክለብ ቸልሲ ክዕድጋ ንዝደሊ ድፍረት ከሊኡዎ ይርከብ። ፕሪመር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣብራሞቪች ካብ ዳይረክተር ናይታ ክለብ ምእላዩ \"እታ ክለብ ልምምድ ክትገብር ኮነ ኣብ ሜዳ ንክትጻወት ኣይዕንቅፋን እዩ\" ኢሉ። ጉዳይ እገዳ ኣብራሞቪች ብ02 መጋቢት ኣብ ባይቶ ምስተላዕለን ከም ዳይረክተር ክለብ ቸልሲ ካብ ቦርድ ምስተኣልየን፡ ንመሸጣ እታ ጋንታ ኮነ ኣብ ዋንነታ ዝህሉ ብርኪ ኣንቆልቊሉ ኣሎ። ኣብራሞቪች ክለብ ቸልሲ ንኣመሪካዊ ናይ ወፍሪ ትካል ረይን ግሩፕ ብ3 ቢልዮን ፓውንድ ክሸጠሉ እኳ እንተሓሰበ፡ ክኢላታት ፋይናንስ ግን እቲ ዋጋ ምስዚ ሕጂ ዘሎ ዘይርጉእ ኵነታት ከንቈልቍል ከም ዝኽእል ይኣምኑ። ትማሊ ሓሙስ እቲ ኣብ ኣብራሃሞቪች ዝተነብረ ማዕቀብ፡ ኣብ ጉዳይ መሸጣ እታ ክለብ ጽልዋ ክህልዎ ከምዝኽእል ምስተዘርበ ረይን ግሩፕ ንመስርሕ እቲ መሸጣ ንግዚኡ ደው ኣቢሉዎ ኣሎ። እቲ መንግስቲ ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ንመሸጣ ዝቕርብ ፍሉይ ፍቓድ ናይታ ክለብ ኣረኣእያ ክገብር ከምዝኽእል ይዝረብ። ይኹን እምበር፡ እቲ ሓደ ካብ ሃብታማት ሩስያን ቀንዲ መሓዛ ፕረዚደንት እታ ሃገር ቭላድሚር ፑቲን ዝኾነ ኣብራሞቪች፡ ንመሸጣ ዘሰላስል ዝኾነ ዘተስፉን ዘተባብዕን ሓበሬታ ኣይተዋህበን ዘሎ። እቲ ብመንግስቲ ዝውሃብ ፍሉይ ፍቓድ እንተተፈጺሙ፡ ሰራሕተኛታት ደሞዞም ክኽፈሉ ፡ ከምኡ 'ውን እቶም ትኬት ዝሓዙ ሰባት ግጥማት ክዕዘቡ ናብ ስታድዩም ክኣትው የፍቅድ ። ይኹን እምበር፡ ቸልሲ ነቲ ዛጊት ዘይተሸጠ ናይ መእተዊ ትኬት ገንዘብ ክትቅበል ኣይትኽእልን እያ። ከምኡ እውን ንጸወታ ዋንጫ ኤፍ ኤን ናይ መጻኢ ግጥማት መእተዊ ክፍሊትን፡ ኣብ ርእሲኡ ከኣ ካብቲ ብጨንፈር ናይቲ ክለብ ዝሽየጥ ሸቐጥ ገንዘብ ክትቅበል ኣይትኽእልን እያ። ብተወሳኺ እቲ ኣብ ኣብራሞቪች እተነብረ ማዕቀብ ኣብ ቦትኡ እንከሎ እቶም ናይ ኣውሮጳ ቻምፕዮንስ ተጻወትቲ ክዕድጉን ክሸጡን ወይ ሓድሽ ውዕል ከቕርቡ ኣይክእሉን። ክሳብ ሕጂ ከኣ ወናን ናይታ ክለብ ንሱ እዩ ዘሎ። መንግስቲ ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ቸልሲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንእትገብሮ ጸወታታት ዝኸውን ካብቲ ዝጸንሐ 500,000 ፓውንድ ትማሊ ሓሙስ ክሳብ 900,000 ፓውንድ ወጻኢታት ንኽግበረላ ብምፍቃድ፡ ነቲ ናይ ንግዲ ፍቓድ ምምሕያሽ ገይሩሎ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ እቲ ንመገሻ ዝኽፈል ወጻኢ፡ ኣብ ሓደ ጸወታ ካብ 20,000 ፓውንድ ንላዕሊ ኣይተፈቕደን። እቲ ናይ ኣሰራርሓ ፍቓድ፡ እታ ክለብ ካብ ዝጸንሐ ውድድራት ኣብ ነፍስ ወከፍ ዙርያ ንኽትሰግር ናይ ፕሪመር ሊግን ቻምፕዮንስ ሊግን ክፍሊትን ናይ ገንዘብ ሽልማትን ንኽትረክብ የኽእላ። እቲ ናይ ፍቓድ ምቅይያራት ከም እተገብረ ካብ ዲጂታል፡ ባህሊ ፡ መራኸቢ ብዙሃንን ስፖርትን (ዲሲኤምስ) ዝወጸ መግለጺ የረጋግጽ። እቲ ሊግ ንኣብራሞቪች ከም ዳይረክተር ክለብ ንኸይቅበሎ ዝገበሮ ውሳነ ብሓጎስ ከም እተቐበሎ እውን ሓቢሩ ። \"መንግስቲ፡ ነቶም ንስርዓት ፑቲን ኣኻእሎ ዝህቡ ተሓተትቲ ክንገብሮም ከም ዘሎና ንጹር ገይሩልና ኣሎ\" ይብል መግለጺ እቲ ትካል። ሃዩንዳይ ነቲ ምስ ቸልሲ ዝነበረ ስምምዕ ኣወንዚፉዎ ኣሎ። ሃዩንዳይ ዝስሙ ናይ ደቡብ ኮርያ መኪና ዘፍሪ ትካል፡ ነቲ ምስ ቸልሲ ዝነበሮ ናይ 40 ሚልዮን ፓውንድ ውዑል ናይ ካናቴራ ሰሪዙዎ። ሃዩንዳይ ኣብ 2018 ምስ ብሉዝ ናይ ብዙሕ ዓመታት ሽርክነት ስምምዕ ፈሪሙ። ሃዩንዳይ እውን ልክዕ ከም ሰለስተ ካልኦት፡ ኣርምኡ ካብ ማልያ እታ ጋንታ ብቕልጡፍ ንክወጽእ ሓቲቱ ኣሎ ። ኩባንያ ሃዩንዳይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ሓደ ካብቶም ኣብ ኩዕሶ እግሪ ዝሓየሉ መሻርኽቲ ብምጽንሑ ኣብ ስፖርት ጽቡቕ ጽልዋ ጸኒሑዎ እዩ። \"ምስ ቸልሲ ብዘሎና ርክብ፡ በቶም ተጻወትቲ፡ ደገፍትን ሕብረተሰብ ኣፍቀርቲ ኵዑሶ እግሪን ንሕበን ኢና። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት፡ ነቲ ኣብታ ክለብ እነካይዶ ዘሎና ናይ መሸጣን ሽርክነትን ንጥፈታት፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ክሳብ እንረክብ ክነጽንሖ ወሲንና ኣለና\" ኢሉ ።","category":"ኩዕሶ እግሪ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60725794"} {"headline":"ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣመሪካ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ማዕረ ክኽፈለን ኣብ ስምዕዕ ተበጺሑ","content":"ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣመሪካ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ማዕረ ክፍሊት ክወሃበን ምስ ኩዕሶ እግሪ ኣመሪካ ኣብ ስምምዕ በጺሐን፡፡ ኣጥቃዒት ሃገራዊት ጋንታ ኣመሪካ ኣሌክስ ሞርጋን ነቲ ስምምዕ \"ዓብዪ ስጉምቲ ንቕድሚ\" ክትብል ገሊጻቶ፡፡ እተን ተጻወትቲ 24 ሚልዮን ዶላር ክኽፈለን ኮይኑ፡ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣመሪካ ኣብ ዋንጫ ዓለም ሓዊሱ ኣብ ኩሎም ውድድራት ንናይ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባትዮን ሃገራውያን ጋንታታት ማዕረ ከም ዝኸፍሎም ቃል ኣትዩ፡፡ ኣብ መጋቢት 2019፡ እተን 28 ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኣድልዎ ተፈጺሙና ዝብል ክሲ ኣቕሪበን ነይረን፡፡ ሞርጋን ነቲ ውሳነ ኣመልኪታ ትማሊ ንጉድ ሞርኒንግ ኣመሪካ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ‘‘ዘደንቕ መዓልቲ እዩ’’ ኢላ፡፡ ብተወሳኺ ዋጋን ክብርን ከም ዝተውሃበን ከም ዝተሰመዓ ዝገለጸት እታ ናይ ክልተ ግዘ ተዓዋቲት ዋንጫ ዓለም \"እዚ ዓወት ናይ ጋንታና ወይ ስፖርተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ዓወት ከም ዝኾነ እየ ዝቖጽሮ\" ኢላ፡፡ ካልእቲ ኣባል እታ ጋንታ ሚጋን ራፒኖ ብተመሳሳሊ እዚ እዋን ‘‘ኩዕሶ እግሪ ኣመሪካ ናብ ጽቡቕ ዝተቐየረሉ እዋን’’ ገይራ ከምእትዝክሮ ተዛሪባ፡፡ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣመሪካ ኣብ 2019 ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ዝወሰደት ኮይና ኣብ ሓሙሽተ ናይ ኦሎምፒክ ውድድራት እውን ተዓዋቲት ወርቂ መዳልያ ኮይና እያ፡፡ ኣብ 2016 ሞርጋንን ራፒኖን ዝርከበአን ሓሙሽተ ምኩራት ኣባላት እቲ ጋንታ ኣብ ክፍሊት ኣድልዎ ይፈጸመን ከም ዘሎ ዝገልጽ ክሲ ናብ ፌደሬሽን ኩዕሶ አግሪ ኣመሪካ ኣቕሪበን ነይረን፡፡ ኣብ 2020 ዘቕረበኦ ናይ 66 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክወሃበን ዝገልጽ ክሲ እውን ቤት ፍርዲ ውዱቕ ገይሩዎ፡፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ግና እቲ ዝነበረ ምስሕሓብ ንምፍታሕ እቲ ፌዴሬሽን ንናይ ክልቲኦም ጾታ አባላት ሃገራዊ ጋንታ ማዕረ ክፍሊት ዝሓዘ ውዕል ኣቕሪቡ፡፡ ትማሊ ሰሉስ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግርን ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ዝሃብዎ ሓበራዊ መግለጺ ድማ ብማዕረ ክፍሊት ከምዝተሰማምዑን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ምስሕሓብ ከምዝተፈተሐን ኣፍሊጦም ኣለዉ፡፡","category":"ኩዕሶ እግሪ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60490507"} {"headline":"ኢትዮጵያዊ ዳኛ በኣምላክ ተሰማ ኣድናቖት ዝረኸበሉ ግጥም ዋንጫ ኣፍሪቃ","content":"ኢትዮጵያዊ ናይ ዳኛ በኣምላክ ተሰማ ትማሊ ምሸት መዘራረቢ ማሕበረሰብ ስፖርት ዓለም ኮይኑ ኣምስዩ፡፡ ንምንታይ? ኣብ ካሜሩን እናተኻየደ ዝርከብ መበል 33 ግጥም ኩዕሶ እግሪ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ዝመጽእ ሰንበት መፈጸምታ ዝረክብ ኮይኑ ሰኔጋል ናይ ዋንጫ ተጋጣሚት ምዃና ኣረጋጊጻ ኣላ፡፡ ረቡዕ ምሸት ምስ ቡርኪናፋሶ ዝተጻወተት ሰኔጋል ብኮኸብ ኣጥቃዓይ ሳዲዮ ማኔ ተሓጊዛ 3 ን 1 ብዝኾነ ውጽኢት ተዓዊታ፡፡ ምስቲ ከቢድ ንሕንሕ ዝተርኣየሉ ጸወታ ጎን ጎኒ ኢትዮጵያዊ ናይ ማእከል ዳኛ በኣምላክ ተሰማ ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣምስዩ፡፡ እቲ ትማሊ ምሸት ዝተኻየደ ግጥም ኣብ ዋንጫ ኣፍሪቃ በኣምላክ ዝዳነየሉ መበል ሳልሳይ ጸወታ እዩ ነይሩ፡፡ ቅድሚ ሕዚ ሰኔጋል ምስ ጊኒ ከምኡ እውን ካሜሩን ምስ ኮሞሮስ ኣብ ዝገበረኦ ጸወታ ናይ ማእከል ዳይና፡ ብተወሳኺ ግብጺ ምስ ናይጄርያ ከምኡ እውን ሱዳን ኣብ ዘካየደቶ ግጥማት ድማ ብመዳይ ሓጋዚ ተንቀሳቓሲ ምስሊ (ቪኤኣር) ዳንዩ፡፡ ኮይኑ ግና ነቲ ትማሊ ሃገራት ሰኔጋልን ቡርኪናፋሶን ናብ ናይ ዋንጫ ግጥም ንምሕላፍ ዘካየደኦ ጸወታ ኢንተርናሽናል ኣርቢትር በኣምላክ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኣዘራራቢ ኮይኑ፡፡ ኣብቲ ግጥም እንታይ’ዩ ተፈጢሩ? ብኽምስትኡ ዝፍለጥ በኣምላክ ተሰማ ምስ ተጻወትቲ ቆይቚ ዝፈቱ ዳኛ ኣይኮነን፡፡ ጌጋ ንዝፍጽሙ ተጻወትቲ ቢጫ ወይ ቀይሕ ካርዲ እንትመዝዝ እውን ኣይጽወግን፡፡ ዝወደቐ ተጻዋቲ ንምልዓል ዝቕድሞ የለን፡፡ ኣብቲ ናይ ረቡዕ ምሸት ጸወታ፡ ሰኔጋላዊ ኩያቴ ምስ ሓላዊ ልዳት ቡርኪናፋሶ ኮፊ ምስተጋጨዉ፡ በኣምላክ ንሰኔጋል ፍጹም ቅላዕ ሂቡ፡፡ ክልቲኦም ተጻወትቲ ስለዝተጎድኡ ሕክምና ክሳብ ዝረኽቡ ዝተጸበየ እቲ ዳይና፡ ናብ ቪኤኣር ከይዱ ምስረኣየ ‘ተጋግየ እየ፤ ፍጹም ቅላዕ ኣይኮነን’ ብምባል ወሲኑ፡፡ ኣብ መወዳእታ ቀዳማይ ፈረቓ ድማ ናይ ቡርኪናፋሶ ተኸላኻላይ ኤድሞን ታፕሶባ፡ ኣብ ናይ ጎል ክልል ኩዕሶ ነኺኡ ብምባል በኣምላክ ንሰኔጋል ፍጹም ቅላዕ ይህቦም፡፡ ብተወሳኺ ነቲ ተጻዋቲ ናይ መጠንቀቕታ ቢጫ ካርዲ ሸለሞ፡፡ ኮይኑ ግና ውሳንኡ ቅድሚ ምጽዳቑ ሓገዝቱ ነቲ ሓጋዚ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ክርእይ ይሕብርዎ፡፡ ኣብ ጫፍ እቲ ሜዳ ናብ ዝርከብ ቪኤኣር እናጎየየ ከይዱ ምስረኣየ ግና ነቲ ፍጹም ቅላዕ ሰሪዙ፡ ናብ ታፕሶባ ብምኻድ ይቕረታ እንትሓቶን እቲ መጠንቀቕታ ከምዝተሰረዘ እንትነግሮን ብቴሌቪዥን ተራእዩ፡፡ ዋለ‘ኳ እቲ ቀዳማይ ፈረቓ ብዘይ ጎል ዝተዛዘመ እንተኾነ፡ እቶም ኣብ ሜዳ ዝነበሩ ተመልከትቲ ግና ስም እቲ ዳይና እናጸውዑ ክውድስዎ ኣምስዮም፡፡ ክልቲአን ፍጹም ቅላዓት ትኽክል ከምዘይነበራ ዝገልጹ ብዙሓት ኣፍቀርቲ ስፖርት፡ እቲ ዳይና ቪኤኣር ብኣገባብ ምጥቃሙ ኣድኒቖም፡፡ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ጋዜጠኛታት ስፖርት እውን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክንእድዎ ኣምስዮም፡፡ ጎል ዶት ኮም ዝተባህለ ናይ ኩዕሶ እግሪ ድህረ ገጽ ብዛዕባ በኣምላክ ዘለኩም ርእይቶ ኣካፍሉና ኢሉ ኣብ ዝለጠፎ ናይ ትዊተር ጽሑፍ ብዙሓት ሰባት ነቲ ዳኛ ዘለዎም ኣድናቖት ገሊጾም፡፡ ሰኔጋል ኣብቲ ጸወታ ሳዲዮ ማነ፣ ኣብዱ ዲያሎን ኢድሪስ ጎየን ብዘቑጸሩወን ሸቶታት ብተኸታታሊ ንኻልኣይ እዋን ናብ ናይ ፍጻመ ግጥም ሓሊፋ ኣላ፡፡ ሎሚ ሓሙስ ድማ ኣዳላዊት ሃገር ካሜሩን ምስ ግብጺ ክትገጥም እያ፡፡","category":"ኩዕሶ እግሪ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60248033"} {"headline":"ኢትዮጵያ ካብ ዋንጫ አፍሪካ 2021 ዝተሰናበተት ፈላመይቲ ሃገር ኮይና","content":"ኢትዮጵያ ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተገብረ ናይ ዋንጫ ኣፍሪቃ ናይ ምድብ ናይ መወዳእታ ጸዋታ ምስ ቡርክናፋሶ ተጻዊታ ማዕረ እንተወጸት'ኳ፡ ካብ ዋንጫ ኣፍሪቃ ፈላመይቲ ተሰናባቲት ኮይና። ተጻዋቲ ቡርኪና ፋሶ ሲሪል ባያላ ኣብ መበል 25 ደቒቓ ካብ ማእኸል መይዳ ዝተሻመያ ኩዕሶ ፈላመይቲ ሽቶ ኣቑጺሩ። ድሕሪ ዕረፍቲ ድማ ስቲቭ ያጎ ኩዕሶ ብኢዱ ብምትንካፉ ንኢትዮጵያ ፍጹም ቅላዕ ተዋሂብዎ ነይሩ። ነቲ ፍጹም ቅላዕ ጌታነህ ከበደ ወቒዑ ነጥቢ ዘቑጸረ ኾይኑ፤ እቲ ጸዋታ ሓደ ንሓደ ማዕረ ክኸውን ክኢሉ ነይሩ። እንተኾነ እዛ ነጥቢ ካብ'ቲ ምድባ ንዝኾነ ጋንታ ዘይሰዓረት ኢትዮጵያ ንክትሓልፍ እኹል ኣይነበረን። በዚ ምኽንያት ድማ ኢትዮጵያ ካብ ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ተሰናባቲት እንትትኸውን እንከላ፡ ቡርኪና ፋሶ ካልኣይቲ ኮይና ናብ ቀጻላይ ዙር ጸዋታ ሓሊፋ ኣላ። ቡርኪና ፋሶ ኣብ መጻኢ ሰንበት ኣብ ዙር 16 ምስ ምድብ ሲ ሞሮኮ፣ ጋና ወይ ድማ ጋቦን ክትገጥም እያ። ቡርኪናፋሶን ኬፕ ቨርድን ኣብቲ ምድብ ብ 4 ነጥብን ተመሳሳሊ ናይ ሸቶ ፍልልይን እኳ ጸዋተአን እንተዛዘማ ንሓድሕደን ኣብ ዝገበርኦ ግጥም ቡርኪና ፋሶ ስዒራ ብምንባራ ካልኣይቲ ኮይና ናብ ግጥም ዝቕጽል ዙር ሓሊፋ። ካሜሮን ምስታ ሳልሳይቲ ዝወጸት ኬፕ ቨርድ ተራኺበን ብማዕረ ውጽኢት ዝተፈላለያ ኾይነን፡ ናይቲ ምድብ ኣውራ ኾይና ሓሊፋ ኣላ። ኢትዮጵያ እንታይ እዩ ዘድልያ ነይሩ? ዋልያታት ናብ ቀጻሊ ዙር ንክሓልፉ ካብ ሒሳባዊ ቁጽሪ ዝዘለለ ተኣምር የድልዮም ዝብሉ ርእይቶታት ክወሃቡ ቀንዮም። ኢትዮጵያ ናብ ቀጻላይ ዙር ክትሓልፍ ትማሊ ኣብ ካሜሮን ባፎሳማ ኣብ ዝተኻየደ ጸዋታ ክትስዕር ግድን ነይሩ። ብምኽንያት ኮቪድ-19 ኣብ ዝሓለፈ ጸዋታ ዘይተሳተፈ ተጻዋቲ ኣስተን ቪላ በርትራንድ ትራኦሬ ናብ ሜዳ እንተተመለሰ'ኳ፡ ቡርኪና ፋሶ ኣብቲ ጸዋታ ክንድዚ ዝኣክል ዘስግእ ጋንታ ኣይነበረን። ሓላዊ ልዳት ቡርኪና ፋሶ ዝነበረ ሄርቬ ኮፊ ብኮቪድ ምትሓዙ ስዒቡ ኣብ ክንድኡ ዝኣተወ ፋሪድ፡ ጌታነህን ካልኦት መሓዙቱን ንዝፈተንወን ኩዓሳሱ ከሕዊ ተራእዩ እዩ። ኣብ ናይ መጀመርታ ፍርቂ ጸዋታ፡ ጌታነህ ከበደ ናብ ጎል ዝፈተነን ክልተ ሽቶ ክኾና ዝኽእላ ኩዓሳሱ ብምድሓን ሓላፍነቱ ተዋጺኡ እዩ። ኢትዮጵያ ነቲ ምስ ቡርኪና ፋሶ ማዕረ ክትከውን ዝገበራ ሽቶ ዝረኸበት ኣብ ካልኣይ እብረ ጸወታ ኮይኑ እቲ ዳኛ ተንቃሳቓሲ ምስሊ ቴክኖሎጂ [ቪኤአር] ሪእዩ ፍጹም ቕጽዓት ምስ ሃበ እዩ። ጌታነህ ከበደ ዝወቕዓ ፍጹም ላዕ፡ ኣብ 2021 ዋንጫ ኣፍሪቃ ንዋልያ ካልአይቲ ዕውትቲ ሽቶ ኮይና ክትምዝገብ ገይሩ እዩ። ዋልያታት ተወሳኺ ሽቶ ንምርካብ ናብ ጎል ዳጋጊሞም እንተፈተኑ'ኳ፡ ሽቶ ክቐንዖም ኣይከኣለን። ኢትዮጵያ ናብ ቀጻሊ ዙር ክትሓልፍ ተወሳኸቲ ሽቶታት ክተቑጽር ትግደድ ነይራ።","category":"ኩዕሶ እግሪ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60034841"} {"headline":"ኣፍኮን፡ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ካልኣይ ግዜ ብምስዓራ ናይ ምሕላፍ ዕድላ ማህሚኑ","content":"ኣብ ምድብ ሓደ መበል 33 ውድድራት ኣፍኮን ትሳተፍ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ኣብ ዘካየደቶ ካልኣይ ናይ ምድብ ጸወታ፡ ብኣአንጋዲት ሃገር ካሜሩን 4 ብ 1 ተሳዒራ። ኣብ መጀመርታ ናይ ምድብ ጸወታ ብኬፕ ቬርድ 1 ን 0 ዝተሰዓረት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ናብ ዝቅጽል ጸወታ ናይ ምሕላፍ ዕድል ንኽህልዋ ኣብዚ ጸወታ ግድን ተዓዊታ ክትወጽእ ስለዝነበራ ካብ መጀመርታ እቲ ጸወታ ብዓቢ ወንን ተስፋን እያ ጀሚራቶ። ከም ውጽኢቱ ጸወታ ብዙሕ ከይተላዓሎ ኣብ መበል ራብዓይ ደቒቕ ናይ ቀዳማይ እብረ ጸወታ ኣማንኤል ገብረሚካኤል ካብ ጸጋማይ ሸነኽ ዝቀለዓ ኩዕሶ: ዳዋ ሆቴሳ ናብ ሸቶ ክቕይራ ክኢሉ። ኣብ ሜድኦም ክምርሑ ዝጀመሩ ካሜሩናውያን፡ ንመሪሕነት ኢትዮጵያ ነዊሕ ኣየሰጉምዎን ኣብ መበል ሻሙናይ ደቒቅ ሓለቃ ጋንታ ኣቡበክር ቪንሰንት ካብ ርሑቕ ዝቀልዓ ኩዕሶ ሓላዊ ልዳት'ኳ መሊስዋ እንተነበረ ኣብ ቀረባ ዝጸንሐ ቶኮ ኢኮምቢ ናብ ሸቶ ቀይርዋ፡ ኣብ ውሽጢ 8 ደቓይቕ ክልተ ሽቶታት ተመዝጊቡ ጸወታ 1 ን 1 ይቕጽል። ክሳብ ቀዳማይ እብረ ጸወታ ዝውዳእ ብኽልቲኤን ሃገራውያን ጋንታታት ጠርባሽ ፈተነታት'ኳ ይካየድ እንተነበረ ናብ ሽቶ ዝተቐየረት ኩዕሶ ግን ኣይነበረትን። 45 ደቂቕ ኣኺሉ ክልቲአን ሃገራውያን ጋንታታት ንዕረፍቲ ወጺአን። ድሕሪ ዕረፍቲ ሓዪሎም ዝተመለሱ ካሜሩናውያን ኣብ ውሽጡ ክልተ ደቒቅ ብጸጋማይ ክንፊ ምክልኻል ኢትዮጵያ በሲዖም ብምእታው ኣብ መበል 53 ደቂቕ ብኮሊንስ ኣብ መበል 55 ደቂቕ ኸኣ ብሞውሙቲ ክልተ ሸቶታት ከመዝግቡ ክኢሎም፡ ጸወታ ብመሪሕነት ሃገራዊት ጋንታ ካሜሩን 3 ን 1 ይቕጽል። ጸወታ ብዓብላልነት እታ ኣብ ቅድሚ ደገፍታ ትውዳደር ዝነበረት ሃገራዊት ጋንታ ካሜሩን ኣብ ዝቀጸለሉ ካብ ማእከል ሜዳ ብነዊሕ ዝተቀለዐት ኩዕሶ ኣብ እግሪ ቶኮ ኢኮምቢ በጺሓ፡ ቶኮ ኢኮምቢ ንተኸላከልቲ ብምሽካዕ ንዕኡ ካልኣይቲ ንሃገራዊት ጋንትኡ ኸኣ ራብዓይቲ ሸቶ ኣመዝጊቡ። ካሜሩናወያን ብኣካለዊ ብቕዓት ኣብ ዝዓብልሉሉ፡ ጸወታ 4 ን 1 ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ ካሜሩን ተዛዚሙ። ኣብ ምድብ ሓደ ካብ ዝርከባ ሃገራውያን ጋንታታት ቡርኪናፋሶን ኬፕ ቨርድን ትማሊ ካብ ዘካየደኦ ካልኣይ ናይ ምድብ ጸወታ፡ እታ ኣብ ቀዳማይ ጸወታኣ ብካሜሮን ዝተሰዓረት ቡርኪናፋሶ ነታ ንኢትዮጰያ ዝሰዓረት ኬፕ ቨርደ 1 ን 0 ብምስዓር ሰለስተ ነጥቢ ክትወስድ ክኢላ። በዚ መሰረት ክሳብ ሕጂ ተኻየድኡ ኣብ ዘሎ ጸወታ ካሜሩን ንምድብ ሓደ ብ6 ነጥብን 4 ጸብለልታ ሸቶን ቀዳመይቲ ኮይና ትመርሖ ኣላ። ቡርኪናፋሶን ኬፕ ቨርድን ብ3 ነጥብን 0 ጎል ዕዳን ካልኣይትን ሳልሳይተን፡ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኸኣ ብ0 ነጥብ 4 ጎል ዕዳ ኣብ ራብዓይቲ ተቐሚጠን ኣለዋ። ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ናብ ዝቅጽል ምድብ ክትሓልፍ እንተኾይና ካሜሩን ንኬፕ ቨርድ ክትስዕራን፡ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኸኣ ንሃገራዊት ጋንታ ቡርኪናፋሶ ብልዕሊ 4 ጸብለልታ ሸቶ ምስ እትስዕራን ጥራይ እዩ።","category":"ኩዕሶ እግሪ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59991261"} {"headline":"ካሜሩን ሰራሕተኛታት ካብ ሰዓት ስራሕ ነክዮም ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪካ ክከታተሉ ኣዚዛ","content":"ሰራሕተኛታት መንግስቲ ቢው ዝተበሃለት ዋና ከተማ ክልል ደቡብ ምዕራብ ካሜሩን ካብ ሰዓታት ስራሕ ነክዮም ነቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ኣፍሪካ ክከታተሉ ይግደዱ ኣለዉ። እቶም ሰራሕተኛታት ንግጥማት ዋንጫ ኣፍሪካ ክከታተሉ ግድን ኮይኑ ዘሎ ብመሰረት ካብ ኣመሓዳሪ እቲ ክልል ዝወረደ መምርሒ ከምዝኾነ ከንቲባ እታ ከተማ ኣፍሊጡ። ናብዚ ውሳነ ዝተበጽሐ ድማ ኣብ መብዛሕቲኦም ዝተኻየዱ ግጥማት ኣብቶም ስታድየማት ብዙሕ ሰብ ክርከብ ብዘይምኽኣሉ’ዩ ተባሂሉ’ሎ። ዋና ከተማ ክልል ደቡብ-ምዕራብ ካሜሩን ዝኾነት ቢው ነቶም ኣብ ሊምቤ ዝተበሃለት ካልአይቲ ከተማ እቲ ክልል ዝካየዱ ግጥማት ሓላፍነት ወሲዳ ኣብ ምትእንጋድ ትርከብ። መብዛሕቲኦም ነበርቲ ከተማ ቢው ነቲ ኣብ ሞንጎ ተነጸልቲ ሓይልታትን ሰራዊት መንግስትን ክፍጠር ንዝኽእል ጎንጺ ከምዝሰግኡ ይግለጽ። እቶም ተነጸልቲ ሓይልታት ኣንጻር መንግስቲ ክቃለሱ ካብ ዝጅምሩ ዳርጋ ሓሙሽተ ዓመት ዝመልኦም ኮይኑ ነቲ ዝካየድ ግጥማት ከተኣጓጉልዎ ምዃኖም ከጠንቅቑ ጸኒሖም’ዮም። መንግስቲ ግን ጥቡቕ ሓለዋ ከካይድ ምዃኑ ንተዓደምቲ ይገልጽ። ካልኦት ከተማታት ንኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግሪ ናብ ስታድየማት ዘብጽሓ ኣውቶብሳትን መኻይንን ኣቕሪበን’የን። ነዚ ዝገበራሉ ምኽንያት ድማ ቁጽሪ ኣብ ስታድየማት ዝርከቡ ዕዱማት ክውስኽ ንምግባር’ዩ። መንግስቲ ካሜሩን ብሓፈሻ ኣብ ሰዓታት ስራሕ መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮን ትምህርቲን ምንካይ ከምዝገበረ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ምግላጹ ይዝከር። ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ካብ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 02፡00 (08፡00 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ጀሚሮም ስራሕ ክዓጽዉ፤ ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ካብ ሰዓት 01፡00 ድሕሪ ቀትሪ ናብ ገዝኦም ክፋነዉ ውሳነ ኣሕሊፉ’ሎ።","category":"ኩዕሶ እግሪ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60035543"} {"headline":"ናይጄሪያ፡ ኪንግስሌይ ኦቢክው ስድርኡ ንምሕጋዝ ኣውቶብስ ይዝውር ኣሎ","content":"ቅድሚ 25 ዓመታት ኣብ ኦሎምፒክ ንሃገሩ ናይጄሪያ ወርቂ ሜዳሊያ ዘምጽአ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ዝነበረ ኪንግስሌይ ኦቢክው፡ ስድርኡ ንምሕጋዝ መራሒ ኣውቶብስ ከም ዝኾነ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ምዕራብ ናይጄሪያ ከተማ ኢኑጉ ብድሕሪ ጎማ ኣውቶብስ ዝተራእየ ወዲ 47 ዓመት ኦቢክው፡ ዛንትኡ ኣዘራራቢ ኮይኑ ቀንዩ። በዚ ምኽንያት ካፒቴን ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ናይጄሪያ ኣሕመድ ሙሳ ንዕኡ ንምሕጋዝ ሓሙሽተ ሽሕ ዶላር ልኢኹሉ። ኦቢክው፡ መንእሰይ እናሃለወ ትምህርቱ ብዘይምውድኡ ዕድላት ክሰእን ከም ዝገበሮ ይዛረብ። \"ብ2004 ካብ ኩዕሶ እግሪ ምስ ወጻእኹን ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ናይ ኣሰልጣንነት ስልጠና ወዲአ ምስ ወዳእኹን፡ ብ2008 ናብ ናይጄሪያ ተመሊሰ፥። እንተኾነ ዋላ ሓንቲ ጋንታ ፕሪሚየር ሊግ ክትቕበለኒ ኣይክኣለትን፤ ብሰፊሑ ከም ኣሰልጣኒ ኣይንፈልጠኻን ተባሂለ\" ኢሉ። ሓደ ዓርኩ ኣብ መባእታዊ ኣካማዲ ኩዕሶ እግሪ ከሰልጥን ስራሕ ሂቡዎ እኳ እንተነበረ ካብኡ ንድሓር ቀዋሚ ስራሕ ከም ዘይረኸበ ገሊጹ። \"ንሓደ ጀማሪ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ እናሰልጠንኩ 120 ዶላር እየ ዝረክብ፤ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዝኸዱ ኣርባዕተ ደቀይ ሓዊሱ ስድራ ኣለውኒ። እቲ ዝረኽቦ ድማ እኹል ኣይኮነን። ኢደይ ዓጺፈ ካብ ምምራር ክኣ ሰሪሐ ስድራይ ንምሕጋዝ መራሒ ኣውቶብስ ህዝባዊ መጓዓዝያ ክኸውን ወሲነ\" ይብል። ካፒቴን ኣሕመድ ሙሳ ንዝገበረሉ ሓገዝ ብምምስጋን \"ኣፒቴን ሱፐር ኤግልስ ሙሳን ካልኦት ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ዘለው ናይጄሪያውያንን ኣብዚ ሰዓት ክሕግዙኒ ምምጽኦም ንዓይ ክብሪ'ዩ\" ኢሉ። ሙሳ፡ ቖልዓ እናሃለወ መግቢ ንምርካብ ከመይ ይጽገም ከም ዝነበረ ብምግላጽ ጸገም ኦቢክው ከም ዝርድኦ ንቢቢሲ ገሊጹ። መናእሰያት ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ድማ ጥሮታ ቅድሚ ምውጽኦም ንሐዋሩ ዝጠቕሞም ነገር ጌና ተጻወትቲ እናሃለው ከወፍሩ ምዒዱ። \"መናእሰያት ካብቶም ነባራት ተጻወትቲ ዘለውሉ ኩነታት ክመሃሩ ኣለዎም፤ ዓበይቲ መካይን፣ ሕንቁቕ ህይወት፣ ናይ ቅዲ ክዳውንቲ ኩሉ ረስዑዎ። ህይወት ጥሮታ ምስ ወጻእኻ እዩ ዝጅምር\" ኢሉ።","category":"ኩዕሶ እግሪ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60452886"} {"headline":"ኣጥቃዓይ ሊቨርፑል መሓመድ ሳላሕ እቲ ዝበለጸ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዓለም'ዩ ይብሉ ተንተንቲ","content":"ኣጥቃዓይ እንግሊዛዊት ክለብ ሊቨርፑል \"ኣብ ዓለም እቲ ዝበለጸ ተጻዋታይ እዩ\" ክብል ሓደ ፍሉጥ ተንታኒ ኩዕሶ እግሪ ክሪስ ሳተን ተዛሪቡ። ፍሉጥ እንግሊዛዊ ኣጥቃዓይ ኣላን ሸረር ብወገኑ ግብጻዊ ሳላሕ \"ኣብ ታሪኽ ፕሪሜርሊግን ሓደ ካብቶም ዝበለጹ ተጻወቲ\" እዩ ክብል ገሊጽዎ። ብሰንበት፡ ሊቨርፑልን ማንቸስተር ሲቲን ኣብ ዘካየድኦ ናይቲ ሊግ ግጥም፡ ሳላሕ ዘመዝገባ ሸቶ ሓንቲ ካብተን ብልጽቲ ሸቶታት ተባሂላ ትግለጽ ኣላ። እቲ ወዲ 29 ዓመት ንሓያሎ ተቐናቐንቱ ብምሽካዕ፡ ብዘይ ሓገዝ ብጾቱ ካልኣይቲ ጎል ሊቨርፑል ምምዝጋቡ ኣድናቖት ረኺቡ'ሎ። ኣሰልጣኒኡ የርገን ክሎፕ ድሕሪ'ቲ ጸወታ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ደገፍቲ ሊቨርፑል ነታ ዘመዝገባ ሸቶ ድሕሪ 60 ዓመት'ውን ክዝክርዋ'ዮም ኢሉ። እቲ ናይ ሰንበት ግጥም ክልቲአን ጋንታታት 2 - 2 እዩ ተወዲኡ። \"ዝበለጹ ተጻወቲ ዓለም ጥራይ'ዮም ከምዚ ዓይነት ሸቶታት ዘመዝግቡ\" ይብል ክሎፕ። ኣብዚ ዓመተ-ውድድር ኣብ ዝተሳተፈን ትሸዓተ ጸወታታት ድማ ትሻዓተ ሸቶታት ኣመዝጊቡ'ሎ። \"ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ካብ መሲን ሮናልዶን ይበልጽ\" ክብል ሳተን ይምጉት። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም መበል 100 ሸቶ ፕሪሜርሊግ ዘመዝገበ ሳላሕ፡ ኣብታ ሰነጋላዊ ብጻዪ ሳድዮ ማነ ዘመዝገባ ሸቶ'ውን ዓቢ ተራ ነይሩዎ። እቲ ተጻዋታይ እንግሊዛዊት ክለብ ቸልሲን ኢጣልያዊት ክለብ ሮማን ዝነበረ ግብጻዊ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመተ-ውድድራት ብማእከላይ ገምጋም 21 ሸቶታት እናመዝበ ዝመጸ'ዩ። ኣብቲ ናይ 2017-2018 ድማ 32 ሸቶታት ኣመዚጊቡ። \"ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመተ-ውድድራት ዘመዝገቦ ቁጽሪ ዝድነቕ'ዩ\" ክብል ሳተን ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ቀጻልነት ናይቲ ዝጓናጸፎ ዘሎ ዓወታት ክረአ እንከሎ ይብል ንሱ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ዝበለጸ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዓለም እዩ። ኣብዚ እዋን'ዚ ተንታኒ ኩዕሶ እግሪ ዝኾነ ተኸላኻላይ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝን ማንቸስተር ሲቲን ነበር ሚካ ሪቻርድስ ብወገኑ፡ ኣብ ኢጣልያዊት ጋንታ ፊዮረንቲና ብሓደ ከምዝነበሩ ብምግላጽ፡ ምስቶም ካልኦት ተንተንቲ ይሰማማዕ። \"ሳላሕ ካብ ብሉጻት ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ምዃኑ'የ ክገልጽ ጸኒሐ\" ድሕሪ ምባል \"ኩሉ ሰብ'ዩ ዝስሕቀለይ ነይሩ። ናይ ሞገስ መዝሙር እናዜምኩሉ'የ ጸኒሐ\" ክብል ኣድናቖቱ ይገልጽ። \"ኣብ ልምምድ ምስ ራኣኹዎ፡ 'እዚ ሰብ'ዚ ገለ ዓይነት'ዩ' እብል ነይረ። ንሓሙሽተ ተጻወቲን ሓላው ማዕጾን ኣሽኪዑ'ዩ ሸቶ ዘመዝግብ ነይሩ\" ይብል ሪቻርድስ። ኣብ ልምምድ ከይተረፈ \"ስሱዕ\" ከምዝነበረ ብምግላጽ ድማ፡ ናይ ኩዕሶ ክለቱ ኣዝዩ ዝንኣድ ምዃኑ ይዛረብ። \"ንዓመታት ንሰባት ከረድኦም'የ ዝጽዕር ነይረ፡ ዝሰምዓኒ ግን ኣይነበረን። ኣቐዲመ እየ ርእየዮ፡ ስለዚ ሕጂ ዝገብሮ ዘሎ ንዓይ ኣይገርመንን'ዩ\"።","category":"ኩዕሶ እግሪ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58811041"} {"headline":"እንግሊዛዊት ጋንታ ኒውካስትል ንስዑዳዊ ኩባንያ ብ305 ሚልዮን ፓውንድ ተሸይጣ","content":"ጥምረት ዝተፈላለዩ ትካላት ዝኾነ ስዑዳዊ ኩባንያ ንእንግሊዛዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኒውካስትል ብ305 ሚልዮን ፓውንድ ከም ዝዓደጋ ተፈሊጡ። መንግስቲ ስዑዲ ኣብቲ ጉዳይ ኢዱ ከም ዘየእትው ኣብ ስምምዕ ምስ ተበጽሐ ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ እታ ጋንታ ነቲ ኩባንያ ክትሽየጥ ወሲኑ። ‘ፐብሊክ ኢንቨስትመንት ፈንድ’ ብዝብል ዝፍለጥ ኩባንያ ልዕሊ 80 ሚአታዊት ድጋፍ ገንዘብ ዝገበረ ኮይኑ ምስ መንግስቲ ከይተራኸበ ባዕሉ ከም ዘንቀሳቕሶ ተገሊጹ’ሎ። እንተኾነ እቲ ኩባንያ ብልኡል ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ከም ዝምራሕ ይፍለጥ። ወናኒ ኒውካስል ዝነበረ ማይክ ኣሽሊ ንዝሓለፉ 14 ዓመታት ምስታ ጋንታ ዝጸንሐ ኮይኑ ዜና መሸጣ ምስ ተሰምዐ ደገፍቲ ናብ ስታድየም ሴንት ጄምስ ፓርክ ብምኻድ ሓጎሶም ክገልጹ ተራእዮም። እቲ ‘ፐብሊክ ኢንቨስትመንት ፈንድ’ ብዝብል ዝፍለጥ ጥምረት ኩባንያታት 250 ቢልዮን ፓውንድ ዝግመት ሃብቲ ኣለዎ። በዚ ምኽንያት ኒውካስል ሓንቲ ካብ ሞንጎ እተን ኣብ ዓለም ክባራት ጋንታታት ክትኸውን በቒዓ’ላ። ኒውካስል ንመወዳእታ እዋን ብ1995 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ዋንጫ ዘልዓለት ኮይና ብድሕሪ መሸጥኣ ግን ዋንጫ ንኽተልዕል ከም ዝሰርሑ ተገሊጹ። መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ጉዳይ እታ ጋንታ ዝኾነ ኢድ ኣእታውነት ከይህልዎ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ ኣሎ። እቲ መንግስቲ “ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጽም’ዩ” ዝብሉ ነቐፌታት ብተደጋጋሚ ስለ ዝቐርቡ’ዩ ምስታ ጋንታ ዝኾነ ርክብ ከይህልዎ ዝተደለየ። ደገፍቲ ናብ ስታድየም ብምምጻእ “ንሕና ጋንታና ክትዕወት ዘይኮነስ ዋላ ክትፍትን ኢና ንደልያ” ዝብል መልእኽቲ ኣሕሊፎም። ኒውካስል ኣብቲ ካብ ዝጅመር ሰሙናት ዘቑጸረ ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ ዋላ ሓደ ጸዋታ ክትዕወት ብዘይምኽኣላ ኣብ መበል 19 ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ።","category":"ኩዕሶ እግሪ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58840679"} {"headline":"ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ትሕቲ 20 ዓመት ኣብ ውድድር ሴካፋ ክትሳተፍ'ያ","content":"ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ትሕቲ 20 ዓመት ኣብቲ ካብ 28 ጥቅምቲ ክሳብ 9 ሕዳር ኣብ ኡጋንዳ ዝእንገድ ውድድር ሴካፋ ክትሳተፍ እያ። እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ መኽፈቲ እቲ ውድድር ኣንጻር ሃገራዊት ጋንታ ታንዛንያ ክትገጥም እያ። ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራን ታንዛንያን ኣብ ኮስታሪካ ንዝካየድ ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት ንምሕላፍ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይዚ ወርሒ ተጋጢመን ምንባረን ዝዝከር ኮይኑ። ጋንታ ታንዛንያ ኣብ ኣስመራ 3 ብ 0 ክትዕወት እንከላ፡ ዕለት 9 ጥቅምቲ ኣብ ታንዛንያ ኣብ ዝገበረኦ ጸወታ ካልኣይ እግሪ ታንዛንያ ደጊማ 2 ብ0- ብምስዓራ ሃገራዊት ጋንታ ታንዛንያ ብድምር ውጽኢት 5 ብ 0 ንኤርትራ ብምስዓርን ብምግላፍን ናብ ዝቅጽል ዙር ምጽራይ ሓሊፋ ኣላ። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንዋንጫ ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት ኣብ ዝገበረቶ ናይ መጻረዪ ውድድር ንጅቡቲ ድሕሪ ምግላፍ'የ ብታንዛንያ ካብቲ ውድድር ተገሊፋ። እታ ጋንታ፡ ብረቡዕ 20 ጥቅምቲ 2021 ቀዳማይ እግሪ ምጽራይ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2022 ኣንጻር ሃገራዊት ጋንታ ብሩንዲ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም 5 ብ 0 ከም ዝተሰዓረት ኣቃሊሕና ነይርና። ካልኣይ እግሪ ጸወታ ኣብ ብሩንዲ 26 ጥቅምቲ 2021 ከተካይድ መደብ ተታሑዙ ኣሎ። መብዛሕትኣን ካብ ኣባላት እዛ ሃገራዊት ጋንታ ኣብታ ናይ ትሕቲ 20 ዓመት ስለ ዝርከባ ግን 26 ጥቅምቲ ኣብ ብሩንዲ ጸወታ ኣካይደን ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ኣዕሪፈን ዕለት 28 ኤርትራ ኣንጻር ታንዛንያ፡ ብሩንዲ ኣንጻር ኣአንጋዲት ሃገር ኡጋንዳ ጸወታ ከካይዳ ክኸብደን ከም ዝኽል ይግመት። ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራን ብሩንድን ኣብዚ ውድድር ሴካፋ ትሕቲ 20 ዓመት ኣብ 9 ሕዳር ክጋጠማ ተሰሪዐን ኣለዋ። ክልቲኤን ሃገራውያን ጋንታታት ኣብ መጻረዩ ውንጫ ኣፍሪቃን ኣብ ውድድር ሴካፋን ኣብ ውሽጢ ዕስራ መዓልታት ሰለስተ ግዜ ክጋጠማ እየን። ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራን ኢትዮጵያን 31 ጥቅምቲ ዝገብረኦ ግጥም'ውን ተዓዘብቲ ክልቲኤን ሃገራት ብሃንቀውታ ዝጽበይዎ ጸወታ ክኸውን እዩ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ሴካፋ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት ሸዱሽተ ሃገራውያን ጋንታታት'የ ተሳታፍነተን ኣረጋጊጸን። ላዕለዋይ ዳይሬክተር ሴካፋ ኣካ ጌቸ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ሴካፋ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት ሃገራውያን ጋንታታት ታንዛንያ፣ ጅቡቲ፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ብሩንድን አኣንጋዲት ሃገር ኡጋንዳን ክሳተፋ ምዃነን ገሊጹ። ሃገራውያን ጋንታታት ርዋንዳ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሶማልያ፣ ኬንያን ዛንዚባርን እተን ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ሴካፋ ኣይሳተፋን። ኩለን እተን ተሳተፍቲ ሃገራት ኣብ ሓደ ምድብ ኮይነን ነብሲ ወከፈን ክጋጠማ እየን። በዚ መሰረት ሓንቲ ሃገራዊት ጋንታ ምስ ኩለን ተሳተፍቲ ሃገራውያን ጋንታታት ክትጋጠም'ዩ መደብ ተታሒዙ ዘሎ። 28 ጥቅምቲ 2021 ታንዛንያ ኣንጻር ኤርትራ ጅቡቲ ኣንጻር ኢትዮጵያ ኡጋንዳ ኣንጻር ብሩንዲ 31 ጥቅምቲ 2021 ኡጋንዳ ኣንጻር ጅቡቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ኤርትራ ብሩንዲ ኣንጻር ታንዛንያ 3 ሕዳር 2021 ታንዛንያ ኣንጻር ኢትዮጵያ ጅቡቲ ኣንጻር ብሩንዲ ኤርትራ ኣንጻር ኡጋንዳ 6 ሕዳር 2021 ብሩንዲ ኣንጻር ኢትዮጵያ ኤርትራ ኣንጻር ጅቡቲ 9 ሕዳር 2021 ብሩንዲ ኣንጻር ኤርትራ ጅቡቲ ኣንጻር ታንዛንያ ኡጋንዳ ኣንጻር ኢትዮጵያ","category":"ኩዕሶ እግሪ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59006208"} {"headline":"ኣፍኮን 2021፡ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ሎሚ ሓሙስ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ካሜሩን ክትገጥም'ያ","content":"ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ካሜሩን ክትራኸብ'ያ። እዚ ግጥም ድማ ድሕሪ እቲ ምስ ኬፕቨርድ ዘጋጠማ ስዕረት ዝካየድ እዩ ክኸውን። ኣብቲ ቀዳማይ ጸዋታ 1 ብ 0 ዝተሰዓረት ኢትዮጵያ ነቲ ሎሚ ዝካየድ ግጥም ብጽቡቕ ምድላው ከምዝገበረት ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ ተዛሪቡ። ንሱ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ \"ካሜሩን ብቑዓት ተጻወትትን ጽቡቕ ተሞክሮን ከምዘለዋ ንፈልጥ ኢና። ግን ድማ ንጋንታና ዝሓሸ ውጽኢት ንምምጻእ ድልዋት ኢና ዘለና። ጋንታና ካብ ስዕረት'ያ ትመጽእ ዘላ፤ ኣብ ቀዳማይ ግጥምና 1 ብ 0 ተሳዒርና ኢና። ዳርጋ ሙሉእ ጸዋታ ሓደ ተጻዋቲ ጎዲሉና ኢና ወዲእናዮ። እዚ ድማ ንተጻወትና ብስነልቦናን ብኣካልን ዝሃሰየ ነይሩ። ሕዚ ግን ኣብ ጽቡቕ ስምዒት ተመሊስና ንርከብ\" ኢሉ። እቲ ኣሰልጣኒ ወሲኹ ድማ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ግጥም ዝሓሸ ውጽኢት ከምጽኡ ተስፋ ከምዝገብር ሓቢሩ። ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ናብዚ መበል 33 ዙር ግጥማት ቅድሚ ምሕላፋ ንመጻረዪ ኣብ ዘካየደቶም ግጥማት ዝሓሸ ብቕዓት ከምዘርኣየት ዘዘኻኸረ ኣሰልጣኒ ውበቱ፡ እቲ ምስ ኬፕቨርድ ዝተኻየደን ዝተሰዓረትሉን ግን ከምዘይተሓጎሱሉ ሓቢሩ። ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ዝኾነ መስዑድ መሓመድ ብወገኑ፡ ነታ ብርትዕቲ ሃገራዊት ጋንታ ክንገጥም ተዳሊና ኣለና ክብል ተዛሪቡ። ተጻወትቲ ናብ ግጥማት ቅድሚ ምእታዎም ምርመራ ኮቪድ ከካይዱ ግን'ዩ። መስዑድ፡ ተጻወትቲ ሓዊሱ ኩሎም ኣባላት ጋንታ ካብ ኮቪድ ነጻ ኮይኖም ከምዘለዉም ዘሻቕል ከምዘየለን ተዛሪቡ። እንተኾነ፡ \"ብመንጽር ማህሰይቲ እቲ ጽቡቕ ተሞክሮ ዘለዎ ተጻዋቲና ሽመልስ በቀለ ክነሰልፎ ኣይከኣልናን። ካብ ኢትዮጵያ ወጺኡ ንግብጻዊት ጋንታ ዝጻወት ተጻዋቲ'ዩ። ስለዚ ንሱ ኣይክስለፍን። ትማሊ'ውን ዳግማይ ናይ ጭዋዳ ምሽምቓቕ ስለዘጋጠሞ ነዚ ግጥም ኣይክበጽሓልናን። ካብዚ ወጻኢ ኩሎም ተጻወትና ድልዋት እዮም\" ኢሉ። ተጻወትቲ ጋንታ ካሜሩን ኣብ ሜድኦም ከም ምዃኑን ብዙሓት ደገፍቲ ስለዝህልውዎምን ዝሓሸ ዕድል ሒዞም ናብ ሜዳ ከምዝኣትዉ ዝገለጸ ኣሰልጣኒ ውበቱ፡ ጋንትኡ ብወገና ንዝሓሸ ውጽኢት ምድላው ገይራ ነቲ ግጥም ከምእትስለፍ ተዛሪቡ'ሎ።","category":"ኩዕሶ እግሪ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59973706"} {"headline":"ሳሙኤል ኤቶ ፕረዚደንት ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ካሜሩን ኮይኑ ተመሪጹ","content":"ዉሩይ ካሜሩናዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ነበር ሳሙኤል ኤቶ፡ ንፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ሃገሩ ንዝቕጽሉ ኣርባዕተ ዓመታት ክመርሕ ተመሪጹ፡፡ ኣርባዕተ ግዘ ‘ኣፍሪቃዊ ተጻዋቲ እዚ ዓመት’ ተባሂሉ ዝተመረጸ ኤቶ፡ ኣብ ኮንፈደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ራብዓይ ምኽትል ፕረዚደንት ንዝኾነ ሰይዶ ምቦምቦ ንጆያ ብምስዓር እዩ ፕረዚደንት ኮይኑ ተመሪጹ ዘሎ፡፡ ንፕረዚደንትነት ኩዕሶ እግሪ ካሜሩን ንምውድዳር ሸውዓተ ሰባት ተመዝጊቦም ዝነበሩ ኮይኖም፡ እቶም ሓሙሽተ ብኣጋ ነቲ ንሕንሕ ገዲፎምዎ፡፡ ወዲ 40 ዓመት ሳሙኤል ኤቶ፡ ስፖርት እታ ሃገር ንምዕባይ ሰፋሕቲ ምምሕያሻት ከምዝገብር ቃል ኣትዩ፡፡ ‘‘ተጻዋቶ ኩዕሶ እግሪ ናብ ማእከል ፖሊሲታትና ክነምጸኦም ኣለና’’ ዝበለ ኤቶ፡ ኣብቲ ዓውዲ ዝነጥፉ ሰባት ካብቲ ስፖርት ክርብሑ ምግባር ናትራ ተራ እዩ ኢሉ፡፡ ነበር ተጻወታይ ጋንታታት ባርሴሎና፣ ኢንተር ሚላንን ቼልሲን ኤቶ፡ ኣብ ናይ መሪሕነት እዋኑ ብውሑድ 10 ሜዳታት ኩዕሶ ከምዝሃንጽ እውን ቃል ኣትዩ፡፡ ንሱ፡ ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥርን ለካቲትን ሃገሩ እትእንግዶ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ፡ መራሒ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ካሜሩን ኮይኑ ክዓዪ እዩ፡፡ ኣፍሪቃ ኣብ ቀረባ እዋናት ካብ ዘበርከተቶም ተጻዋቶ እቲ ዝበለጸ ከምዝኾነ ዝንገረሉ ሳሙኤል ኤቶ፡ ንሃገሩ ዝበዘሐ ሸቶ ዘመዝገበ ተጻዋታ ኮይኑ፡ ኣብ 16 ዓመቱ እዩ ኣብ 1996 ኣኣ ናብ ሓያል ስፔናዊት ክለብ ሪያል ማድሪድ ተጸምቢሩ፡፡ ብልቓሕ ኣብ ጋንታታት ሌጋነስ፣ ኢስፓኞልን ሞላርካን ድሕሪ ምጽዋቱ፡ ድማ ኣብ 2000 ንማሎርካ ብቕዋምነት ብምፍራም ኣብ 133 ጸወታታት 54 ሸቶታት ብምምዝጋብ ናይታ ጋንታ ክብረ ወሰን ዝለዓለ ሸቶ ክሕዝ ክኢሉ፡፡ ኣብ 2004 ናብ ባርሴሎና ምስተጸምበረ ምስ ጋንትኡ ሰለስተ ናይ ላሊጋ ጽዋዓት ዝወሰደ ኮይኑ፡ ኣብ 2006ን 2009 ኣብ ጸወታታት ፍጻመ ሻምፒዮንስ ሊግ ሸቶታት ብምምዝጋብ ጋንትኡ ጽዋዕ ክተልዕል ሓጊዙ እዩ፡፡ ኣብ 2006 ድማ ኣብ 34 ጸወታታት 26 ሸቶታት ብምምዝጋብ ፈላማይ ተዓዋቲ ወርቂ ጫማ ስፔን ኮይኑ፡፡ ኣብ ናይ ካምፕ ኑ ጻንሒቱ ኣብ 144 ጸወታታት 108 ሸቶታት ዘመዝገበ ኤቶ ፡ ኣብ 2009 ናብ ኢንተር ሚላን ምስተዘጋገረ ድማ ሳልሳይ ጽዋዕ ሻምፒዮንስ ሊግ ከምኡ እውን ጽዋዕ ሰሪ ኤን ፊፋ ክለብ ወርልድ ካፕ 2010ን ወሲዱ፡፡ ዘይሰዓሩ ኣናብስ ተባሂላ እትጽዋዕ ሃገራዊት ጋንታ ካሜሩን ኣብ 2000ን 2002ን ብተኸታታሊ ተዓዋቲት ጽዋዕ ሃገራት ኣፍሪቃ ክትከውን ዝሓገዝ ኤቶ፡ ኣብቶም ውድድራት 18 ሸቶታት ብምምዝጋብ ክብረ ወሰን በዝሒ ሸቶ እቲ ውድድር ኣመዝጊቡ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ኣብ ጸወታታት ኦሎምፒክ፡ ኣብ ውድድር ፍጻመ ሸቶ ብመምምዝጋብ ሃገሩ ተዓዋቲት ወርቂ መዳልያ ክትከውን ገይሩ እዩ፡፡","category":"ኩዕሶ እግሪ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59626691"} {"headline":"ውሩይ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ፔለ ይሓዊ ከምዘሎ ጓሉ ሓቢራ","content":"ብራዚሊያዊ ፍሉጥ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ፔለ ድሕሪ እቲ ዝተገበረሉ መጥባሕቲ ካብ ሕማሙ ይሓዊ ከምዘሎ ጓሉ ገሊጻ። ወዲ 80 ዓመት ፔለ ኣብዚ ወርሒ ብዝተገበረሉ መጥባሕቲ ካብ ታሕተዋይ ክፋል ሮጕድ መዓንጥኡ ጽኪ ዝወጽኣሉ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሮብዕ ካብ ክፍሊ ብፅኑዕ ዝሓመሙ ወጺኡ። ሳኦ ፖሎ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣልበርት ኣንስታይን ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ 31 ጀሚሩ ሕክምኡ ክከታተል ዝጸንሐ ፔለ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ምሉእ ጥዕና ይምለስ ከምዘሎ ጓሉ ኬሊ ገሊጻ። ማዕኸናት ዜና ብራዚል ኣቐዲመን ፔለ ብሰንኪ ዕድምኡ ናብ ክፍሊ ብፅኑዕ ዝሓመሙ ሕሙማት ከምዝኣተወ ኣቃሊሐን ኔረን። እቲ ሆስፒታል’ውን እንተኾነ ሓቂ ከምዝኾነ ድሕሪ ምግላጽ ድሓር ግን፡ ናብ ክፍሊ ማእኸላይ ዝተጸንዑ ሕሙማት ከምዝተዛወረ ኣፍሊጡ። እቲ ሆስፒታል መግለጺ ቅድሚ ምውጽኡ ግን፡ ጓሉ ኣብ ናይ ውልቃ ኢንስታግራም “እቲ ኣብ ደገ ዝናፈስ ዘሎ ሓሜት ይርድኣኒ የሎን፡ እንተኾነ ግን ኣቦይ ይሓዊ’ዩ ዘሎ” ክትብል ጠቂዓ። ኣብዚ ቀረባ እዋናት ጥዕናዊ ኩነታት ፔለ መሻቐሊ ኮይኑ ዝመጽአ ኮይኑ ፡ኣብ 2015 ኣቆጻጽራ ፈረንጂ መጥባሕቲ ገይሩ ነይሩ። ኣብ 2019 ድማ ብዘጋጠሞ ረኽሲ ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ተገይርሉ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ፔለ ኣብ 92 ጸወታታት 77 ሸቶታት ብምቑጻር ኣብ ብራዚል ጎብለል ብዝሒ ሸቶ ዘቑጸረ ውሩይ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኮይኑ፡ ኣብ ኣርባዕተ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ሸቶ ካብ ዘቑጸሩ 4 ተጻወትቲ እቲ ሓደ’ዩ። ኣርጀንቲናዊ ልዮኔል መሲ ኣብ ዓለም ለኻዊ ውድድራት ብዝሒ ሸቶ ብምቑጻር ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ብዙሕ ሸቶ ዘቑጸረ ተጻዋታይ ተባሂሉ ንፔለ ሓሊፍዎ።","category":"ኩዕሶ እግሪ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58607953"} {"headline":"ኩዕሶ እግሪ፡ ኣሰልጣኒ ክለብ ባርሲሎና ሮናልድ ኮማን ካብ ስርሑ ተሰጒጉ","content":"ን14 ኣዋርሕ ንስጰኛዊት ክለብ ባርሲሎና ዘሰልጠነ ሮናልድ ኮማን ካብ ስርሑ ተሰጒጉ። እታ ካብ 10 ጸወታታት ላሊጋ 15 ነጥቢ ጥራይ ዘዋህለለት ክለብ ባርሲሎና ኣብ ናይ ቻምፕዮንስ ሊግ ናይ ምድብ ጸወታ'ውን ኣካታቲላ ክልተ ግዜ ተሳዒራ ኣላ። ባረሲሎና ክሳብ ሕጂ ካብ ዘካየደቶ 10 ጸወታታት ላሊጋ፡ ኣርዕተ ግዜ ዓዊታ፡ ሰለስተ ግዜ ማዕረ ወጺኣ፡ ሰለስተ ግዜ ኸአ ተሳዒራ ኣላ። ኣብ ሰሌዳ ላሊጋ ካብቲ ቀዳመይቲ ዘላ ርያል ማድሪድ ብሽዱስተ ነጥቢ ድሒራ ኣብ 9 ደረጃ እያ ተቐሚጣ ዘላ። ግኑን ስም ዘይጸንሐን ክለባት ርያል ቤትስ፡ ርያል ሶሲዳድ፡ ራዮ ቫለካኖ፡ ኣሳሱናን ኣትለቲክ ክለብን ኣብ ሰሌዳ ላሊጋ ንባርሲሎና በሊጸናኣ ዘለዋ ክለባት'የን። ትማሊ ረቡዕ ብክለብ ራዮ ቫለካኖ ዝገጠማ ናይ ሓደ ብዜሮ ስዕረትን ብሰንበት ኣብ ሜዳኣ ብርያል ማድሪድ ዘጋጠማ ስዕረትን ኣሰልጣኒ ሮናልድ ኮማን ካብ ስርሑ ንኽስጎግ ነዳዲ ካብ ዝወሰኸ ክስተት እዩ። ክለብ ባረሲሎና ኣብ ዘውጽአቶ መግለጺ \"ፕረዚደንት ከለብ ባርሲሎና ጅዋን ላፖርታ ነቲ ናይ ምስጓግ ውሳነ [ንሮናልድ ኮማን] ድሕሪ ብራዮ ቫለካኖ ዘጋጠመ ስዕረት ሓቢርዎ\" ድሕሪ ምባል \"ሮናልድ ኮማን ሓሙስ [ሎሚ] ንኣባላት ባርሲሎና ክፋነዎም'ዩ\" ኢላ። ወዲ 58 ዓመት ሮናልድ ኮማን ንሃገራዊት ጋንታ ሆላንድ፡ ንክለብ ኤቨርተንን ሳውዝሃፕተንን ዘሰልጠነ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክለብ ባርሲሎና ኣብ ውድድራት ላሊጋ ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ጸወታኣ ከምትዛዝም'ዩ ገይርዋ። ሮናልድ ኮማን ኣቐዲሙ እታ ክለብ ሓደሽቲ ተጻወትቲ ኣብ ምፍራም ከምዝዛሕተላትን ንልዮነል መሲ ምፍናዋን ቅር ከምዝበሎ ገሊጹ ነይሩ እዩ። \"እዛ ክለብ ሚዛን ኣጥፊኣ'ያ፡ ውጽኢታውያን ዝኾኑ ተጻወትቲ ከሲራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወቅትታት ካልኦት ክለባት ብተጻወትቲ ክስውዳ እንከለዋ ንሕና ግን ዝነበሩና ከምዝስኣንና'ዩ ዘርኢ\" ኢሉ። ናይ ማእከል ተጻዋታይ ክለብ ባርሲሎና ዝነበረን ሕጂ ንቀጠራዊት ክለብ ኣል ሳድ ዘሰልጥነ ዘሎ ዛቪ ንሮናልድ ኮማን ተኪኡ ነታ ክለብ ከሰልጥን ካብ ብዙሓት ትጽቢት ተገይርሉ ኣሎ። ክልብ ባርሲሎና ካብ ሜድኣ ወጻኢ ኣካታቲላ ሸቶ ከየመዝገበት ስለስት ግዜ ስዕረት ክትቀምስ፡ ድሕሪ እቲ ብእንግሊዛዊ ኣሰልጣኒ ቱሪ ቨናበልስ እናሰልጠነት እንከላ ኣብ መስከረም 1987 ዘጋጠማ ስዕረት እዚ ናይ ሕጂ ንመጀመርታ እዩ ዝኸውን ዘሎ። ሮናልድ ኮማን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንክለብ ባርሲሎና ዋንጫ ኮፓ ደል ሬይ'ኳ እንተኣዕተራ፡ ኣብ ላሊጋ ብክለባት ኣትለቲኮ ማድሪድን ርያል ማድሪድን ተበሊጻ ድሕሪ 2008 ዝውሓደ ነጥቢ ብምውህላል ሳለሰይቲ ኮይና ውድድራ ከምትዛዝም እዩ ገይርዋ። ሮናልድ ኮማን ካብ ነሓሰ 2020 ጀሚሩ'ዩ ንክለብ ባርሲሎና ከሰልጥና ጸኒሑ።","category":"ኩዕሶ እግሪ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59073442"} {"headline":"ዋንጫ ዓለም 2022፡ ዝሓለፋ ጋንታታትን ትጽቢት ዝግበር ውጽኢትን እንታይ እዩ? ብኸመይ ከ ይፈላለያ?","content":"ሃገራውያን ጋንታታት ዛጊት ብዘካየዳኦ ውድድራት፡ ካብ ምድብ ሓደን ክልተን ዝሓለፋ ኣርባዕተ ሃገራት፡ ሰኔጋል ኣንጻር እንግሊዝ 4 ታሕሳስ፣ ኣሜሪካ ኸኣ ኣንጻር ሆላንድ 3 ታሕሳስ ግጥም ኣውዲቕካ ምሕላፍ ከካይዳ’የን። ፈረንሳ ኣብ ካልኣይ ናይ ምድብ ጸወታ ኣንጻር ደኒማርክ ገጢማ 2 ን 1 ምስ ሰዓረት እታ ቀዳመይቲ ሓደ ተረፍ ጸወታ እንከለዋ ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ምስጋራ ዘረጋገጸት ሃገር’ያ። ብራዚል’ውን ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ንስዊዘርላንድ 1 ብ 0 ብምስዓር ኣብተን 16 ጋንታታት ቦታኣ ኣውሒሳ። ብሰኑይ ንኡራጋይ 2 ብ 0 ዝሰዓረት ፖርቱጋል’ውን ብተመሳሳሊ ምሕላፋ ዘረጋግጽ ሓፊስ ዓወት ኣመዝጊባ'ላ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቐጠር፡ ካናዳን ኢኳዶርን ሓደ ጸወታ ተሪፍወን እንከሎ ካብ ምድበን ከምዝተገለፋ ዘፍለጣ እየን። ኣብተን ዝተረፋ ምድባት ከ ኣየኖት ሃገራውያን ጋንታታት’የን ናይ ምሕላፍን ወይ ምትራፍን ተኽእሎ ዘለወን? ነዚ ክንድህስሶ ኢና። ኣብ ታሪኻ ሰለስተ ግዜ ንፍጻመ ዝበጽሐት ሃገራዊት ጋንታ ሆላንድ፡ ኣብ ልዕሊ ኣአንጋዲትን ካብ ምድባ ከምዝተረፈት ኣቐዲማ ዘረጋገጸትን ቐጠር፡ 2 ን 0 ብምዕዋት ንምድብ ሓደ ቀዳመይቲ ኰይና ዛዚማቶ። እታ ተዓዊታ ጥራይ ክትሓልፍ ዕድል ዝነበራ ሰኔጋል ብወገና፡ ኣብ ልዕሊ ኢኳዶር 2 ብ 1 ዓወት ብምምዝጋብ ድሕሪ ዕስራ ዓመት ናብ ግጥም ኣውዲቕካ ምሕላፍ ሰጊራ። ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ልዕሊ ዌልስ 3 ብ 0 ዓወት ብምምዝጋብ፡ ካብ ምድባ ቀዳመይቲ ኰይና ክትሓልፍ እንከላ ዌልስ ካብቲ ምድብ ኣብ ድሕሪት ተሰሪዓ። እታ ግድን ክትዕወት ጥራይ ዝነበራ ኣሜሪካ ብወገና፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን 1 ብ 0 ዓወት ብምምዝጋብ ነታ ማዕረ’ውን ዘዋጽኣ ዝነበረ ኢራን ገሊፋ ካብ ምድባ ካልኣይቲ ኰይና ሓሊፋ። ፖላንድን ኣርጀንቲናን እተን ኣብቲ ምድብ ኣብ ልዕሊ ስዑድያን ሜክሲኮን ዓወት ብምምዝጋብን ዝመርሓ ዘለዋ ሃገራት እየን። እንተኾነ እዘን ክልተ ሃገራት ኣብ ሳልሳይ ናይ ምድብ ጸወታ ንሓድሕደን ክጋጠማ ስለዝኾና ወይ ሜሲ ወይ ሮበርት ልዋንዶውስኪ ካብዚ ምድብ ንሃገሮም ለኪሞም ክተርፉ’ዮም። እንተኾነ ፖላንድ ማዕረ ውጽኢት ከዋጽኣ እንከሎ ኣርጀንቲና ግን ክትሓልፍ እንተዀይና ግድን ክትስዕር ኣለዋ፡ ሜክሲኮን ስዑድ ዓረብን ማዕረ እንተወጺአን ግን ዋላ ኣርጀንቲናን ፖላንድን ማዕረ ይፈላለያ ኣርጀንቲናን ፖላንድን’የን ክሓልፋ። ስዑድ ዓረብ ንሜክሲኮ እንተስዒራ፡ ፖላንድን ኣርጀንቲናን ኸኣ እንተተሰዓዒረን፡ ስዑድያ ካብዚ ምድብ ክሓልፍ ትኽእል'ያ። ሜክሲኮ ንኽትሓልፍ ግን ንስዑድያ ክትስዕር፡ ፖላንድ ኸኣ ንኣርጀንቲና ክትስዕራ ክትጽበ እያ። ፈረንሳ ካብዚ ምድብ ምሕላፋ ገና ሓደ ጸወታ ተሪፍዋ እንከሎ’ያ ኣረጋጊጻ። ምስ ቱኒዝያ ዋላ ማዕረ እንተወጽአት ናይ ቀዳመይ ቦታኣ ውሑስ’ዩ። ኣውስትራልያ ንደኒንማርክ እንተስዒራ ትሓልፍ፤ ማዕረ እንተወጺኣ ግን ቱኒዝያ ንፈረንሳ ስዒራ ክትሓልፍ ትኽእል፤ ደኒንማርክ ኸኣ ብተመሳሳሊ ክትሓልፍ እንተዀይና ክትስዕር ጥራይ’ዩ ዘለዋ። ቱኒዝያን ዴንማርክን እንተተዓዊተን ክልቲአን ተመሳሳሊ ዕዳ ጎል ስለዘለወን እታ ዝበዝሐ ጎል ዘመዝገበት ወይ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ብዘሎ ኣገባብ እታ ትሓልፍ ክትፍለጥ’ያ። ኣብ ምድብ ሓሙሽተ ዘለዋ ኣርባዕተ ሃገራውያን ጋንታታት ስጳኛን ጀርመንን ማዕረ ውጽኢት ምስ ኣመዝገባ ኵለን ናይ ምሕላፍ ተኽእሎ ከምዘለወን’የን ኣረጋጊጸን። ኣብዚ ምድብ፡ ጽባሕ ኮስታሪካ ኣንጻር ጀርመን፣ ጃፓን ከኣ ኣንጻር ስጳኛ ናይ መወዳእታ ናይ ምድብ ጸወታ ክህልወን’ዩ። ስጳኛ ዓወት ወይ ማዕረ ውጽኢት እንተኣመዝጊባን ኣብቲ ካልእ ጸወታ ማዕረ ወይ ጀርመን እንተስዒራ ስጳኛ ብዘይ ስክፍታ ትሓልፍ። ስጳኛ ካብዚ ምድብ ክትግለፍ እንተዀይና፡ ኮስታሪካ ንጀርመን ክትስዕራ ኣለዋ፤ ብተመሳሳሊ ስጳኛ’ውን ብጃፓን ክትሰዓር ኣለዋ፤ ወይ’ውን ጀርመን ብልዕሊ ሸሞንተ ጸብለልታ ጐል ንጃፓን እንተስዒራታ ስጳኛ ክትገለፍ ትኽእል እያ። ክልቲኡ ጸወታታት ማዕረ እንተተወዲኡ ጃፓንን ስጳኛን ቀዳመይትን ካልኣይትን ኰይነን ክሓልፋ’የን። ኮስታሪካ ንኽትሓልፍ ንጀርመን ክትስዕራ ኣለዋ፡ ስጳኛን ጃፓንን ከኣ ማዕረ ክወጽኣ ኣለወን። ኮስታሪካ ብማዕረ ውጽኢት ክትሓልፍ እንተዀይና ግን ስጳኛ ንጃፓን ክትስዕራ ኣለዋ። ጀርመን ክትሓልፍ እንተዀይና ክትስዕር ኣለዋ፤ እዚ ጥራይ ግን እኹል ኣይኮነን፣ ጃፓን ከኣ ክትስዓር ኣለዋ። ጃፓን ማዕረ እንተወጺኣ፡ ጀርመን ብልዕሊ ክልተ ጐል ጸብለልታ ሸቶ ስዒራ ክትሓልፍ ተኽእሎ ኣሎ። ካናዳ ብሰንበት ኣብ ታሪኾም ዋንጫ ዓለም ንመጀመርታ ግዜ’ዮም  ሸቶ ኣመዝጊቦም፡ እንተኾነ ክሮኦሽያ ካብ ድሕሪት መጺኣ ስለዝሰዓረቶም ካብ መድቦም ከምዝተገለፉ ኣፍሊጦም’ዮም። ነዚ ምድብ ትመርሕ ዘላ ክሮኤሽያ ብቤልጂም እንተዘይተሳዒራ ክትሓልፍ ትኽእል፤ ሞሮኮ ንኽትሓልፍ ማዕረ ውጽኢት’ውን ይኣኽላ እዩ። ቤልጂም ክትሓልፍ እንተዀይና ንክሮኤሽያ ክትስዕር እዩ ዘለዋ፤ ማዕረ እንተወጺኣ ንኽትሓልፍ ካናዳ ንሞሮኮ ክትስዕራ ኣለዋ። ሓሙሽተ ግዜ ንዋንጫ ዓለም ብምዕዋት ክብረ ወሰን ሒዛ ዘላ ብራዚል፡ ካብ ምድባ ምሕላፋ ኣረጋጊጻ ኣላ። እተን ካልኦት ሰለስተ ሃገራት’ውን ናይ ምሕላፍ ተኽእሎአን ገና ኣይቀሃመን ዘሎ። ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ ስዊዘርላንድ ምሕላፋ ከተረጋግጽ ግድን ንሰርብያ ክትስዕራ ኣለዋ፤ ካሜሮን ብብራዚል እንተተሳዒራ ግን ንስዊዘርላንድ ማዕረ ውጽኢት'ውን የሕልፋ’ዩ። ሰርብያን ካሜሮንን ካብ ምድበን ክሓልፋ እንተዀይነን ግድን ክስዕራ ኣለወን፤ ካበኡ ናበኡ ኸኣ ካሜሮን ሓደ፡ ሰርብያ ከኣ ክልተ ጐል ዕዳ ስለዘለወን ካሜሮን ዝሓሸ ዕድል ኣለዋ። ፖርቱጋል ልክዕ ከም ብራዚልን ፈረንሳን ገና ሓደ ጸወታ ተሪፍዋ እንከሎ’ያ ካብ ምድባ ምሕላፋ ኣረጋጊጻ። ቀዳሞት ኰይኖም ንኽውድኡ ከኣ ኣብቲ ምስ ደቡብ ኮርያ ዝገብርዎ ጸወታ ሓንቲ ነጥቢ ትኣኽሎም’ያ። ጋና ንኡራጋይ እንተስዒራ ምሕላፋ ከተረጋግጽ እያ፤ ማዕረ እንተወጺኣ ግን፡ ደቡብ ኮርያ ንፖርቱጋል ብልዕሊ ክልተ ጸብለልታ ሸቶ ክሳብ ዘይሰዓረታ ጋና ክትሓልፍ ትኽእል እያ። ጋና ስዒራ ፖርቱጋል እንተተሳዒራ ጸብለልታ ሸቶአን ተራእዩ ቀዳመይትን ካልኣይትን ኰይነን ክሓልፋ’የን። ደቡብ ኮርያ ካብዚ ምድብ እዚ ክትሓልፍ እንተዀይና ንፖርቱጋል ክትስዕራ ኣለዋ፤ ጋናን ኡራጋይን ማዕረ እንተወጺአን ኸኣ ደቡብ ኮርያ ንኽትሓልፍ ንፖርቱጋል ብልዕሊ ክልተ ጸብለልታ ሸቶ ክትስዕራ ኣለዋ። ኡራጋይን ደቡብ ኮርያን እንተስዒረን ጋና ተገሊፋ ካብ ክልቲኡን ዝሓሸ ጸብለልታ ወይ ዝወሓደ ዕዳ ሸቶ ዘለዋ ሃገራዊት ጋንታ ክትሓልፍ’ያ። ኡራጋይ ካብዚ ምድብ ክትሓልፍ እንተዀይና ንሳ ንጋና ስዒራ ፖርቱጋል ኸኣ ንደቡብ ኮርያ ክትስዕረላ ኣለዋ። ሃገራት ድሕሪ ሰለስተ ናይ ምድብ ጸወታታት ማዕረ ነጥቢ እንተኣመዝጊበን፡ ብዘለወን ጸብለልታ ወይ ዕዳ ጎል’የን ዝፈላለያ፡ ዘርዚርና ንምርኣዩ ግን እዚ ዝስዕብ’ዩ","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cg38yzgqpydo"} {"headline":"ቢንያም ግርማይ ንሳልሳይ ግዚኡ ዝበለጸ ኣፍሪቃ ተቐዳዳማይ ኮይኑ","content":"ኤርትራዊ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ ንሳልሳይ ግዚኡ ኣከታቲሉ ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ ተባሂሉ። ብዘይካ እዚ ካልኦት ኣርባዕተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ምስ ዝበለጹ 10 ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ተሮቊሖም ኣለዉ። ንቢንያም ግርማይ ተኸቲሉ፡ ወዲ ጋንትኡ ንቢንያም ደቡብ ኣፍሪቃዊ ልዊስ መንትጀስ ካልኣይ ክኸውን እንከሎ ዕዉት ዙር ርዋንዳ 2020 ከምኡ ከኣ 2022 ናትናኤል ተስፋጽዮን ሳልሳይ ኮይኖም ተመሪጾም። ርዋንዳዊ ሞጉሻ ሞየስ ራብዓይ፡ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022 ሄኖክ ሙሉብርሃን ሓሙሻይ፡ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር ሻውዓይ፡ ዕዉት ዙር ሰርብያ 2022 ዳዊት የማነ ከኣ ሻሙናይ ብምዃን፡ ምስ ዝበለጹ ዓሰርተ ተቐዳደምቲ ተሰሪዖም ኣለዉ። ነዚ ሽልማት 20 ተቐዳደመቲ ተሓጽዮም ከምዝነበሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ካብቶም ዝተሓጸዩ 20 ተጻወትቲ ሓሙሽተ ኤርትራውያን'ዮም ነይሮም፡ ሓሙሽቲኦም ኤርትራውያን ከኣ ምስቶም ዝበለጹ ዓሰርተ ክምረጹ ክኢሎም ኣለዉ። እዚ ዓመታዊ ብኣዳለውቲ ዙር ጋቦን [ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ] ዝውሃብ ሽልማት ሎሚ ዓመት ንመበል 11 ግዜ’ዩ ንዝበለጸ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ ሽልማት ዝህብ ዘሎ። ናትናኤል ብርሃነ ኣብ 2012 ንቦኽሪ እዚ ሽልማት ክዕወተሉ እንከሎ፡ ኣብ 2014 መኽሰብ ደበሳይ፡ ኣብ 2015 ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ኣብ 2016 ተስፎም ዑቕባማርያም ተዓዊተሙሉ ነይሮም። ቢንያም ግርማይ ከኣ ካብ 2020 ጀሚሩ ሎሚ ዓመት ኣከታቲሉ ንሳልሳይ ግዜ ነዚ ሽልማት ክዕወተሉ ክኢሉ ኣሎ። ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ካብቲ 11 ሽልማታት ሸውዓት ግዜ ብምዕዋት ላዕለዋይ ኢድ ክሕዙ እንከለዉ፡  ደቡብ ኣፍሪቃዊ ልዊስ መንቲጀስ ክልተ ግዜ (ኣብ 2013ን 2017ን) ነዚ ሽልማት ተዓዊትሉ። እቲ 2.1 መዐቐኒ ዘለዎ ዓመታዊ ኣብ ጋቦን ዝካየድ ውድድር ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ፡ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተቛሪጹ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብ 23 ክሳብ 29 ጥሪ 2023 ንመበል 16 ግዜኡ ክካየድ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ። ሃገራዊት ጋንታታት ኤርትራ፡ ርዋንዳ፡ ሞሮኮ ዝርከብአን 14 ሃገራውያን ጋንታታትን ፕሮፈሽናል ክለባትን ኣብቲ ውድድር ክሳተፋ ምዃነን’ውን መርበብ ሓበሬታ እቲ ውድድር ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ኣውሮጳ ብሰንኪ በረድ ውድድራት ስለዘይካየድ፡ ዓበይቲ ተጻወትቲ ዓለምና ኣብ ውድድር ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ ክወዳደሩ ምርኣይ ንቡር’ዩ። ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝካየዱ ዙራት፡ ዙር ርዋንዳን ዙር ጋቦንን [ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ] ጥራየ’ዮም 2.1 መዓቐኒ ዘለዎም። ቢንያም ግርማይ ኣብዛ ገና ዘይተዛዘመት ዘላ ዓመተ 2022 ኣብ ዝተፈላለየ ውድድራት 56 መዓልታት ውድድራት ብምክያድ 9478 ኪሎሜትር ዘዊሩ፤ ኣብ ዩሲኣይ 1900 ነጥቢ ኣመዝጊቡ ኣሎ። ኣብዚ ዓመት ካብ ዘካየዶ ውድድራት ካብ ዘመዝገቦ ዓወታት እቲ ኣውራ፤","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cp0dr91821jo"} {"headline":"ሓሙሽተ ኤርትራውያንን ሓደ ኢትዮጵያዊን ተቐዳደምቲ፡ ንዝበለጸ ሽልማት ኣፍሪቃ ተሓጽዮም","content":"ሓሙሽተ ኤርትራውያንን ሓደ ኢትዮጵያዊን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ፡ ኣብቲ ዓመታዊ ብትሮፒካለ ኣሚሶ ባንጐ ኣብ ጥሪ ንዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ዝወሃብ ሽልማት ተሓጽዮም ካብ ዘለዉ 20 ተቐዳደምቲ ምዃኖም ላ ትሮፒካለ ኣብ ወግዓዊ ናይ ትዊተር ገጹ ኣፍሊጡ። እቶም ነዚ ሽልማት ተሓጽዮም ዘለዉ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፡ ኣብ 2020 ከምኡ’ውን ኣብ 2021 ነዚ ሽልማት ዝተዓወተሉ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ 2022 ንዙር ርዋንዳ ዝተዓወተሉን ኣብ ቻምፕዮን ኤርትራ ካልኣይ ኰይኑ ውድድሩ ዝዛዘመ ናትናኤል ተስፋጽዮንቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022 ሄኖክ ምሉብርሃን ቻምፕዮን  ዙር ሰርብያ ተቐዳዳማይ ባይክ አይድ ዳዊት የማነ፡ ተቐዳዳማይ ኣሜሪካዊት ጋንታ ትረክ ሰጋፍሬዶ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄርን’ዮም። ብተወሳኺ፡ ወላይ በርሀ ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ተቓዳዳማይ ብሽክለታ ሓደ ካብቶም ሕጹያት እዩ። ወላይ በርሀ ምስ ጋንታ ኢኤፍ ኢጁኬሽን ኒፖ ደቨሎፕመንት ዝወዳደር ዘሎ ኰይኑ ኣብ 2022፡ ን 37 መዓልታት ብምውድዳር ኣብ ዩሲኣይ 18 ነጥቢ ከመዝግብ ዝኸኣለ ተቓዳዳማይ እዩ። እቶም ካልኦት ነዚ ሽልማት ተሓጽዮም ዘለዉ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ፡ ኣሽራፍ ኢድሶግምይ [ሞሮኮ]፡ ፓውል ዳውሞት [ቡርኪናፋሶ]፡ ብዳዶ ዮሱፍ [ሞሮኮ]፡ ጉስታፍ ባሶን [ደቡብ ኣፍሪቃ]፡ ኢስላም መንሱር [ኣልጀርያ]፡ ዓብዱራሕማን መንሱሪ [ኣልጀርያ]፡ ነስረዲን ማታጒ [ሞሮኮ]፡ ያሲን ሃምዛ [ኣልጀርያ]፡ ልዊስ መንተጀስ [ደቡብ ኣፍሪቃ]፡ ዳሪ ሊምፕሰይ [ደቡብ ኣፍሪቃ]፡ ሞጉሻ ሞሰስ [ርዋንዳ]፡ ኣርቱስ ተላ [ካሜሮን]፡ ሶሎማን ትራኦረ [ኣይቮሪኮስት] እዮም። እቲ 2.1 መዐቐኒ ዘለዎ ዓመታዊ ኣብ ጋቦን ዝካየድ ውድድር ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ፡ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተቛሪጹ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብ 23 ክሳብ 29 ጥሪ 2023 ንመበል 16 ግዜኡ ክካየድ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ኣውሮጳ ብሰንኪ በረድ ውድድራት ስለዘይካየድ፡ ዓበይቲ ተጻወተቲ ዓለምና ኣብ ውድድር ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ ክወዳደሩ ምርኣይ ንቡር’ዩ። ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝካየዱ ዙራት፡ ዙር ርዋንዳን ዙር ጋቦንን [ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ] ጥራየ’ዮም 2.1 መዓቐኒ ዘለዎም። ኣብ 2020  ከምኡ’ውን ኣብ 2021 ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳሚ ተባሂሉ ብኣካየድቲ ላ ትሪፒካለ ምሽላሙ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣብ 2022 ብዘርኣዮ ተወዳዳርነትን ብዘመዝገቦ ዓለምለኻዊ ዓወታትን ነዚ ሽልማት ክወስዶ ከምዝኽእል ብኣጋኡ ግምት ተዋሂብዎ ይርከብ። ቢንያም ግርማይ ሎሚ ዓመት ብደረጃ ዓለም ዓበይቲ ዓወታት ምምዝጋቡ ዝዝከር እዩ። እቲ ሓደን ቀንድን ኣብ ጂሮ ዲ ኢታል ኣብ ዓስራይ መድረኽ ቀዳማይ ብምውጽኡ ኣብ ጂሮ ንመጀመርታ ግዜ ዓወት ዘመዝገበ ኣፍሪቃ ብምዃን ታሪኽ ከመዝግብ ክኢሉ’ዩ። እዝን ካልእ ኣብዚ ዓመት ዘመዝገቦ ዓወታትን ኣብ ግምት ብምእታው ሎሚ ንሽልማት ዝበለጽ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ኣከታቲሉ ንሳልሳይ ግዚኡ ክዕወተሉ ከምዝኽል መንቀሊ ግምት ብዙሓት እዩ። እዚ ሽልማት ካብ 2012 እዩ ክወሃብ ጀሚሩ፤ ፈለማ ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ ከምዝተዓወተሉ ዝዝከር’ዩ። ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ሽዱሽተ ግዜ ብምዕዋት ላዕለዋይ ኢድ ክሕዙ እንከለዉ፡ ቢንያም ግርማይን (ኣብ 2020ን 2021]  ደቡብ ኣፍሪቃ ልዊስ መንቲጀስ ክልተ ግዜ (ኣብ 2013ን 2017ን) ነዚ ሽልማት ተዓዊቶምሉ። በዚ ድማ ቢንያም፡ ኣከታቲሉ ንክልተ ዓመታት ዝተሽለመ እንኮ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ኰይኑ'ሎ። ቢንያም ግርማይ ኣብዛ ገና ዘይተዛዘመት ዘላ ዓመተ 2022 ኣብ ዝተፈላለየ ውድድራት 56 መዓልታት ውድድራት ብምክያድ 9478 ኪሎሜተር ዘዊሩ፤ ኣብ ዩሲኣይ 1900 ነጥቢ ኣመዝጊቡ ኣሎ። ኣብዚ ዓመት ካብ ዘካየዶ ውድድራት ካብ ዘመዝገቦ ዓወታት እቲ ኣውራ፤","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cz4013wz8d1o"} {"headline":"ነይማር ብሰንኪ ማህረምቲ ኣብ ክልተ ጸወታታት ክቦኵር ምዃኑ ተረጋጊጹ","content":"ኣብ ግጥም ኣንጻር ሰርብያ ብዘጋጠሞ ተደጋጋሚ ማህረምቲ ካብ ሜዳ ዝወጽአ ነይማር፡ ኣብ ዓንካርዓንካሪቱ ብዘጋጠሞ ማህሰይቲ፡ ብራዚል ኣብ እትገብሮ ክልተ ናይ ምድብ ጸወታታት ከምዘይጻወት ዶክተር ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ገሊጹ። ብራዚል ኣብቲ ብሓሙስ ኣንጻር ሰርብያ ዘካየድዎ ቀዳማይ ናይ ምድብ ጸወታ ወላ’ኳ ብራዚል 2 ብዜሮ እንተሳዓረት፡ ወዲ 30 ዓመት ነይማር ብተጻዋታይ ሰርበያ ኒኮላ ሚሎንኮቪች ከቢድ ማህረምቲ ስለዘጋጠሞ ኣብ መበል 80 ደቒቕ ካብ ሜዳ ክወጽእ ተገዲዱ’ዩ። ነይማር ካብ ሜዳ ክወጽእ እንከሎ ዓንካርዓንካሪቶ የማነይቲ እግሩ ድሮ ክትሓብጥ ጀሚራ ነይራ’ያ። ነይማር ንማህረምቱ ኣመልኪቱ ብኢንስታግራም ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ “ኣብ ናይ ጸወታ ዘመነይ ዘጋጠመኒ ዝኸፈአ ማህረምቲ” ኢሉ። ንሱ ብምስዓብ “ኣብ ህይወትይ ብቀሊሉ ዝረኸብክዎ ነገር የለን ንሕልመይ ሸቶይን ንኸተግብር ወትሩ ምስ ጸዓርኩ’የ፡ ንዝኾነ ሰብ ሕማቕ ተመንየ ኣይፈልጥን’የ ሓገዝ ንዝደልዩ ኸኣ ሓጋዛይ’የ” ብምባል ምስትምሳል ዘለዎ መልእኽቲ ጽሑፉ። “ተሃሪመ ኣለኹ ይርድኣኒ’ዩ ጽቡቕ ነገር ኣይኮነን፤ ብሓደ ነገር ግን ርግጸኛ’የ ንሃገረይ፤ ንደቂ ጋንታይን ንነገዛእ ነፍሰይን ንምሕጋዝ ኣበርቲዐ ክሰርሕ’የ” ኢሉ። ኣብ የማናይ ክንፈ ምክልኻል ዝጸወት ብራዚላዊ ዳኒሎ’ውን ብተመሳሳሊ ማህረምቲ ኣብ ዝመጽእ ክልተ ጸወታታት ኣይክስለፍን’ዩ። ብራዚል ኣብ ዝመጽእ ሰኑይ ኣንጻር ስዊዘርላንድ: ዓርቢ ኸኣ ኣንጻር ካሜሮን ካልኣይን ሳልሳይን ናይ መድብ ጸወታ ክህልዋ’ዩ። ዶክተር ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ራድሪጎ ላስማር “ንነይማርን ንዳኒሎን ብዓርቢ ናይ ኤምኣርኣይ መርመራ ገይርናሎም ናይ ክልቲኦም ኸኣ ኣብ ዓንካርዓንካሪቶኦም ማህሰይቲ ከምዘለዎም ክንርዳእ ክኢልና ኣለና” ኢሉ። እቲ ዶክተር ብምስዓብ “ርግእ ኢልና ንማህረምቶም ግዜ ሂብና ክንከታተሎ ከኣ ኣገዳሲ’ዩ፡ እቲ ሓሳብ ካብ ማህሰይቶም ምሉእ ንምሉእ ሓውዮም ናብ ውድድር ንኽምለሱ’ዩ” ድሕሪ ግጥም ሰርብያን ብራዚልን ንጋዜጠኛታት መብርሂ ዝሃበ ኣሰልጣኒ ብራዚል ቲተ “ነይማር ናብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ክምልስ’ዩ” ምባሉ ይዝከር። ንፈረንሳዊት ክልብ ፓሪስ ሰይንት ጀርመይን ዝጻወት ነይማር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ የማነይቲ እግሩ ተደጋጋሚ ማህረምቲ ከጋጥሞ ጸኒሑ’ዩ። ነይማር ኣብ 2019 ብሰንኪ ተመሳሳሊ ማህረምቲ ካብ ውድድር ኮፓ ኣሜሪካ ክቦክር እንከሎ ኣብ 2021’ውን ብተመሳሳሊ መጉዳእቲ ንሓያለ ሳምንታት ካብ ጸወታ ተኣልዩ ነይሩ’ዩ። ነይማር ብራዚል ኣንጻር ሰርብያ ኣብ ዘካየደቶ ቀዳማይ ናይ ምድባ ጸወታ ትሽዓተ ግዜ ፋወል ክስርሖ እንከሎ፡ ክሳብ ሕጂ ተኻይዱ ኣብ ዘሎ ዋንጫ ዓለም 2022 እቲ ዝብዝሐ ፋውል ዝተሰርሖ ተጻዋታይ ክኸውን ክኢሉ ኣሎ።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cge555wx9v2o"} {"headline":"ሮቤል ተኽለሚኪኤል፡ ሓለቓ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ሊጋት ኣውሮጳ ንርእዮዶ ንኸውን?","content":"ሓለቓ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ሮቤል ተኽለሚኪኤል ኣብ 2000 እዩ ኣብ ኣስመራ ንእሽተይ ገጀረት ተወሊዱ። ሮቤል ዓበይቲ ኣሕዋቱ ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ ስለዝነበሩን፡ ብዓቢኡ እቲ ንሱ ዝዓበየሉ ከባቢ ገጀረት ብዙሓት ተጻወትቲ ዝፈረይሉን ስለዝነበረ’ዩ ካብ ንእስነቱ ፍቕሪ ኵዕሶ እግሪ ክሓድሮ ዝጀመረ። በዚ ኸኣ፡ ኣብ ገዛውቱ ጸወታ ኵዕሶ ዝጀመረ ሮቤል፡ ናብ ጋንታ ገጀረት፡ ድሒሩ ኸኣ ናብ ዓባይ ጋንታ ክለብ ቀይሕ ባሕሪ [ኤልፓ] ብምጽንባር ኣብ ማእከል ስታድዮም ኣስመራ፡ ብውሕሉል ኣጸዋውታኡ ክእለቱ ኣመስከረ፤ ኣብ ሓጺር ግዜ ኸኣ ኣብ ኣዒንቲ ኣሰልጠንቲ ሃገራዊት ጋንታ ክኣቱ ከኣለ። ደጋፊ ጋንታ ኣርሰናል ሮቤል፡ ኣድናቒ ሃንዳሲ ማእከል ሜዳ ኣርሰናልን ስጳኛን ዝነበረ ሰስ ፋብሪጋስ’ዩ፤ ካብዚ ድርኺት’ዚ እዩ ድማ ማልያ ቍጽሪ ኣርባዕተ ከም ዝፈቱ ዘዕልል። ሮቤል፡ ኣብ 2019 ኣብ ዩጋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሴካፋ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተዓዋቲት ብሩር መዳልያ ንኽትከውን ብሉጽ ብቕዓት ከርኢ እንከሎ፡ ንሱ ብውልቁ ኰኾብ ተጻዋቲ እቲ ውድድር ኰይኑ ተሸለመ። ኣብ ቦታ ምክፍፋል ብዘርእዮ ብሉጽ ክእለት፡ ሮቤል፡ ኣብ ኣዒንቲ ብዙሓት ጋንታት ስለዝእተወ፡ ካብ ክለብ ቡና ናይ ኢትዮጵያ ጻውዒት ቀሪቡሉ፣ ምስታ ጋንታ ክጽንበር ኣብ ስምምዕ በጽሐ። ምስ ጋንታ ቡና ተሰሊፉ ኣንጻር ሰበታ ከነማ ኣብ ዝነበረ ግጥም፡ ካብ ፍርቂ ሜዳ ዘመዝገባ ሸቶ’ውን ብሱፐር ስፖርት ዝበለጸት ሸቶ ናይ ሓደ ዓመት ኰይና ዋንጫ ክሽለም ክኢሉ’ዩ። ሮቤል ተኽለሚኪኤል፡ ነዚን ንናይ ሕጂ ተመኵሮኡን ትዕዝብቱን ኣብ ዝምልከት ዛዕባ ምስ ቢቢሲ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ይስዕብ፤ ቢቢሲ፡ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ክትስለፍ ዝጀመርካሉ ካብ መዓስ እዩ? ሮቤል፡ ኣብ 2016 ተዓሊም ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምውሳድ ኣብ መበል 30 ዙርያ ምስ ኵሎም ስፖርተኛታት [ምስ በዓል ናትናኤል፡ ቢንያም ግርማይ] ናብ ኣፍዓበት ኬድና ኣብቲ ዓመት’የ ምስ ጋንታ ቀይሕ ባሕሪ ፈሪመ። ምስ ቀይሕ ባሕሪ ክልተ ዓመታት ምስ ተጻወትኩ ኸኣ፡ ብ 2018 ካብ ሃገራዊት ጋንታ ትሕቲ 20 ዓመት ጻውዒት ቀሪቡለይ። ኣብታ ጋንታ ንኽንምረጽ መጀመርታ ናይ ዞባታት ውድድር ኢና ኣካይድና፣ ኣነ ንዞባ ማእከል ወኪለ ተወዳዲረ ዋንጫ ወሲድና፡ ድሕሪ’ዚ’የ ተመሪጸ። ንሃገራዊት ጋንታ ወኪለ ኸኣ ናብ ዩጋንዳ ገይሸ፣ ኣብ መጻረዪ ዋንጫ ዓለም’ውን ኣብ ጐድኒ በዓል ሄኖክ ጐይትኦም ዝርከብዎም ፕሮፈሽናል ተጻወትቲ ብምዃን ኣብ ኣስመራን ኣብ ናሚብያን ተጻዊተ። ኣብ 2019 ኣብ ዓባይ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ዩጋንዳ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ናይ 23 ዓመት ንሃገረይ ወኪለ ዝተፈላለየ ጸወታታት ኣካይደ። ቢቢሲ፡ ኣብ 2019 ኣብ ዩጋንዳ ኣብ ዝተኻየደ  ውድድራት ሴካፋ ኤርትራ ብሩር መዳልያ ክትረክብ እንከላ ንስኻ ዝበለጸ ተጻዋታይ እቲ ውድድር ክትበሃል ክኢልካ ኢኻ? ሮቤል፡ ኣብቲ ውድድር ኣብ ናይ ምድብ ጸወታ ምስታ ኣአንጋዲት ሃገር ዩጋንዳ እዩ በጺሑና፣ ብሓቂ ክብድ ዝበለ ጸወታ’ዩ ነይሩ። ኣነ ከም ሮቤል ክርእዮ እንከለኹ ኣብ ተጻወታ ዓቢ ኒሕን ዘይተሳዓርነትን’ዩ ነይሩና፣ ኣብቲ ጸወታ ተሳዒርና ኢና፡ እቲ ጸወታ ኣዝዩ ጽቡቕ ካብ ምንባሩ ዝተለዓለነ ግን ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ዩጋንዳ ኣብ መዛዘሚ ምስ ሃገራዊት ኤርትራ ኢና ክንራኸብ ኢሉ ብርእሰ ተኣማንነት ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቡ። ከምቲ ዝበሎ ኸኣ ኰይኑ ኣብ መዛዘሚ ደጊምና ተራኺብና። ካብ ሽዑ ጀሚሩ’ዩ ካብ ዝተፈላለያ ጋንታታት ጻውዒት ዝቐርበለይ ነይሩ፣ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ዩጋንዳ ዴንማርካዊ’ዩ ነይሩ፣ ንሱ’ውን ንዓይ ትኸውን ጋንታ ክረኽበለይ ምዃኑ ንኣሰልጠንተይ ሓቢርዎም ነይሩ። ካብ ኣፍሪቃውያን ጋንታታት’ውን ሓያለ ጻውዒታት ቀሪቡለይ ነይሩ። ብሉጽ ተጻዋታይ ናይቲ ውድድር ክኸውን ምኽኣለይ፡ ብሓፈሻ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ብምዃን ካብ ዝበጻሕክዎ ደረጃ እታ ደስ ትብለኒ ህሞት’ያ ክብል እኽእል። ቢቢሲ፡ ካብ ንእስነትካ ኢኻ ሓለቃ ጋንታ ኴንካ፣ እዚ ካብ ምንታይ እዩ? ሮቤል፡ ሓለቃ ጋንታ ካብ ሳልሳይ ዲቪዥን እንከለኹ’የ ኰይነ። ብሓቂ ኣነ ሓለቃ ጋንታ ናይ ምዃን ባህጊ የብለይን። እንተዀነ፡ ካብ ሳልሳይ፡ ካልኣይ ዲቪዥን ከምኡ እናበለ ኸአ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ሓለቓ ጋንታ ክኸውን ክኢለ። ንኣብነት ኣብ ኣስመራ ኣንጻር ናሚብያ መጻረዩ ዋንጫ ዓለም ኣብ ዘካየድናሉ፡ ሄኖክ ጐይትኦም እንከሎ ከመይ ኢሉ ሮቤል ሓለቃ ጋንታ ይኸውን ዝብል ዘረባታት ነይሩ’ዩ። ባህርያተይ ኣብ ሜዳ ካብ ብንእሽተይ ክስዓር ኣይፈቱን’የ፣ ዝዀነ ሰብ ክስዓር ኣይደልይን’ዩ፡ ኣነ እንተተሳዒረ ድቃስ’ዩ ዝኣብየኒ። ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ሓለቃ ምስ ኰንኩ ኸኣ ኣሰልጠንቲ ዘይብሉ፡ ንተጻወትቲ ናብ ክፍለይ ጸዊዐ ኣኼባ ይገብረሎም’የ፤ ንሓድሕድና ኸኣ መን እንታይ ጸገማትን ጕድለታትን ከምኡ ኸኣ ብልጫታታት ኣለዎ ኣዕሚቝና ኢና ንመያየጥ። ሓደ መዘናኻ ጕድለታት ክነግረካ እንከሎን እቲ ሓበሬታ ብኣሰልጣኒ ክመጽኣካ እንከሎን በበይኑ’ዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ንጥቀመሉ ኢና። እዚ ዅሉ ተደሚሩ ክኸውን ይኽእል’ዩ እቲ ሓለቃ ጋንታ ክኸውን ዘኽኣለኒ። ቢቢሲ፡ ምስ ቡና ተሰሊፍካ ኣብ ልዕሊ ሰበታ ከነማ ዘመዝገብካያ ሸቶ ንውድድር ዝበለጸት ሸቶ ፑሽካሽ ክትወዳደር ብብዙሓት ጐስጓስ ተጀሚሩ ነይሩ፣ ንስኻ ኸ ‘ታ ሸቶ ከመይ ኢኻ ትገልጻ? ሮቤል፡ ዓሚ ኣብ ልዕሊ ክለብ ሰበታ ዘመዝገብክዋ ሸቶ ክሳብ ሕጂ ካብ ዘመዝገብክወን እታ ዝጸበቐት እያ። ኣብኣ ደው ክብል ግን ኣይደልይን’የ ብሕጂ ካብኣ ትበልጽ ሸቶ ከመዝግብ እደሊ’የ። ምስ ክለበይ ይዅን ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ልምምድ እንከለኹ ካብ ፍርቂ ሜዳ ዘመዝግቦ ሸቶ ነይሩ’ዩ። ብሱፐር ስፖርት ናይ ሓደ ዓመት ዝበልጸት ሸቶ ፕሪምየርሊግ ኢትዮጵያ ተባሂላ ዋንጫ ክሽለመላ ክኢለ’የ፤ እቲ ናይ ፑሽካሽ መደብ ግን ክሳብ ሕጂ ዝፈለጥክዎ ነገር የለን። ቢቢሲ፡ ካብ ተጻወትቲ ዓለም እተድንቘን ጽልዋ ኣሕዲሩለይን እትብሎን ተጻዋቲ መን’ዩ? ሮቤል፡ ኣነ ደጋፊ ኣርሰናል’የ ካብ ተጻወትቲ ኸኣ ንፋብሪጋስ’የ ዘድንቕ፡ ካብኡ ዝተላዓለ እየ ኸኣ ማልያ’ውን ቍጽሪ ኣርባዕተ ዝፈቱ። ኣብ ቀይሕ ባሕርን ኣብ ሃገራዊት ጋንታን ማልያ ቍጽሪ ኣርባዕተ’የ ዝኽደን። ንሰስ ፋብሪጋስ ዝፈተኽሉ ምኽንያት ምናልባት ክልቴና ኣብ ሓደ ቦታ ስለንጻወት ክኸውን ይኽእል እዩ። ናብ ክለብ ቡና ምስ መጻእኩ’ውን ማልያ ቍጽሪ ኣርባዕተ ንኽለብሳ ዘይገበርክዎ ነገር ኣይነበረን፣ ክሳብ ሕጂ ግን ክረኽባ ኣይከኣልኩን ዘለኹ። ቢቢሲ፡ ኣብዛ ክለብካ፡ ቋንቋ ኣምሓርኛ የሸግረካ ዶ? ሮቤል፡ ኣብ መጀመርታ ብሰንኪ ቋንቋ ናብ ኣስመራ ክምለስ ዝሓሰብክሉ ነይሩ’ዩ። ሕጂ ግን ክረዳዳእ ስለዝኽእል ዋላ ኩንትራተይ ንኸሐድስ በይነይ እዩ ዝኸይድ። ኤጀንት ኣላትኒ፡ እቲ ቋንቋ ስለዝመለኽክዎ ግን ሕጂ ኣይሽገርን’የ። ቢቢሲ፡ ንሃገራዊት ጋንታ ካብ ዘሰልጠኑ ኣሰልጠንቲ ንመን ተድነቕ? ካብ ተጻወትቲኸ? ሮቤል፡ ኣነ ንዳኒኤል ዮሃንስ [ግራይ] እየ ዘድነቕ። እቲ ናቱ ዓይነት ኣጸዋውታን ፍልስፍናን ኣዝዩ’ዩ ዝምስጠኒ። ኣብ ሃገራዊት ጋንታ’ውን ጽቡቕ ውጽኢት ተራእይዎ’ዩ። ኣለምሰገድ ኤፍሬም፡ መኮነን ዘውደን ካልኦትን’ውን ኣለዉ፣ ሕልፊ ኵሎም ግን ንዳኒኤል ዮሃንስ’የ ዘድንቕ። ቢቢሲ፡ ሕጂ ካብ ዝጻወቱ ካብ ዘለዉ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራኸ? ሮቤል፡ ዓብለሎም ተኽለዝጊ [ኣምበስ] ከምኡ ኸኣ ዓሊ ሱሌማን ኣዝዮም’ዮም ዝምስጡኒ። ቢቢሲ፡ ፍቃደኛ እንተዄንካ ደሞዝካ ክንደይ’ዩ?  ክፍሊት ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ ምስቲ ኣብ ዓለም በጺሕዎ ዘሎ ንምንጽጻር ጥራይ እዩ? ሮቤል፡ ኣብ መጀመርታ ምስ ቡና ኩንትራት ኣብ ዝፈረምክሉ ንወርሒ  30 ሸሕ ብር’የ ዝክፈል ነይረ። ንኽልተ ዓመት ኸኣ ብኸምኡ ከይደ፡ ሕጂ ሓድሽ ኩንትራት ኣብ ዝፈረምክሉ ግን ንወርሒ 120 ሽሕ ይኸፍል ኣለኹ። ኣብ መጀመርታ ፕሮፈሽናል ተጻዋታይ ናይ ምዃን ባህጊ ስለዝነበረኒ’ዩ እምበር ኣብዛ ጋንታ ብ30 ሽሕ ዝጻወት ተጻዋታይ ኣይነበረን። ቢቢሲ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብደረጃ ኣፍሪቃ ብዙሕ ዓወታት ከተመዝግብ ኣይትርአን’ያ፤ እቲ ምኽንያት እንታይ’ዩ ትብል? ሮቤል፡ ብናተይ ትዕዝብቲ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ እቲ ዝበዝሕ ሓይላ ኣብ ውድደራት ሴካፋ’ዩ። ንመጻረዪ ዋንጫ ዓለም ከኣ ጸወታ ተካይድ፡ ስለዚ እቲ ቀንዲ ድኽመት ኰይኑ ዝስምዓኒ ዋሕዲ ውድድራት እዩ። ቦርድ ናይዛ ጋንታይ ናይ ሃገራዊት ጋንታ ጸወታ የብልካን ድዩ እናበሉ’ዮም ብተደጋጋሚ ዝሓቱኒ። ብኻልእ ጋንታ ጠመተ ክትረክብ እንተዄንካ፡ ምስ ሃገራዊት ጋንትኡ ክንደይ ጸወታ ተጻዊቱ ዝብል ሓደ ሕቶ ኰይኑ ይልዓል’ዩ። ቢቢሲ፡ ከም ፕሮፈሽናል ተጻዋቲ ብዙሕ ተመኵሮ ደሊብካ ኣለኻ፣ ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ኤርትራ ካብ ተካይዶ ዝነበርካ ኣመጋግባ፡ ኣገባብ ልምምድን ካልእን እንታይ ዝተፈለየ ነገራት ረኺብካ? ሮቤል፡ ብዙሕ ፍልልይ’ዩ ዘለዎ። ኣብ ኣመጋግባ፡ ኣበየናይ ሰዓታት ኢኻ ከተዕርፍ ዘለካ፣ ምስ ክብደት ሰብነትካን ትገብሮ ልምምድን ተራእዩ እንታይ ዓይነት መግብን ፈሳስን ክትወስድ ኣለካ ኣብ ዝብል ብዙሕ ፍልልይ’ዩ ዘለዎ። ጂምናዝየም ክትሰርሓሉ ትኽእል እዋን መዓስ’ዩ፣ ነየናይ ክፋል ኣካላትካ እንታይ ዓይነት ጂምናዝየም ኢኻ ትሰርሕ ክፈልጥ ክኢለ ኣለኹ። ቢቢሲ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ፕሮፈሽናላት ተጻወትቲ ናይ ምጽዋት ዕድል ረኺብካ ኢኻ፣ ካብዚ ተበጊስካ  ብቕዓት ናይቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ተጻወትቲ ከመይ ትግምግሞ? ሮቤል፡ ኣብ ኤርትራ ዘለውን ኣብዚ ዘለዉን ተጻወትቲ ኣብ ኣካላዊ ኣቃውማና ኣብ ብቕዓትና ተመሳሰልቲ ኢና። ነዚ ንምርዳእ ከኣ እዘን ክልተ ሃገራውያን ጋንታታት ተጻዊተን ዘመዝገበኦ ውጽኢት ብምርኣይ ክምዘን ይክኣል’ዩ። ኣብ ውድድር ሴካፋ ክልተ ግዜ ተራኺብና ነይርና ኢና። ኣብ መጀመርታ ጸወታ ማዕረ ሰለስተ ብሰለስተ ተፈላሊና [ኣብ ባህርዳር ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሴካፋ] ኣብ ካልኣይ ጸወታ ግን ብፍጹም ቅላዕ ክንስዕሮም ክኢልና። እቲ ዝልዓለ ብልጫና ኢለ ዝገልጾ ክስዕር’የ ዝብል ዘይሕለል ኒሕ ኣለና፣ እዚ ኸኣ ኣዝዩ ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ። እቲ ንሶም ንዓና ጸብለል ዝብሉልና ምኽንያት ኸኣ እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ብዙሕ ጸወታታት ስለትሳተፍን እቲ ናቶም ሃገራዊ ሊግ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ስለዘበረኽዎን እዮም። ቢቢሲ፡ ኣብ ኤርትራ ካብ ዘለዉ ተጻወትቲ ኣብዛ ጋንታ ምሳኻ ክስለፍ እትሓርዮ ተጻዋታይ መን ኣሎ? ሮቤል፡ ብዘይ ጥርጥር ዓበለሎም ተኽለዝጊ [ኣምበስ] ኣብ ጐነይ ክህሉ ኣዝዩ ባህ ምበለኒ። ቢቢሲ፡ ካብዚ ዘለኻዮ ከዕብየካ ዝኽእል ዕድላት ትረክብዶ? ምኽንያቱ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኣብ ዓበይቲ ሊጋት ኣውሮጳ ክጻወት ዝኸኣለ ወይ ዕድል ዝረኸበ የለን። ሮቤል፡ ብዙሕ ርክባት የካይድ ኣለኹ፡ ብዓቢኡ ግን እታ ናተይ ወኪል ወይ ኤጀንት’ያ ሒዛቶ ዘላ፡ ነዛ ዘላ ‘ሲዝን’ ከምዚ ዘለኽዎ ብጽቡቕ እንተወዲአያ ናይ ምውጻእ ዕድል ኣለኒ፣ ምኽንያቱ ኣቐዲመ ርክብ ዝጀመርኩለን ክለባት ኣለዋ። ቢቢሲ፡ ነመስግነካ ሮቤል","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2p8jdnm1mo"} {"headline":"በርሀ ጐይትኦም፡ ዋንጫ ኣፍሪቃ ንኢትዮጵያ ካብ ዘዕተሩ ኤርትራውያን ዓሪፉ","content":"ኣብ ውድድር ሳልሳይ ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ንኢትዮጵያ ወኪሎም ካብ ዝተሰለፉ ሸሞንተ ኤርትራውያን ዝዀነ ውሩይ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ በርሀ ጐይትኦም [ፓታታ] ኣብ መበል 82 ዓመት ዕድመኡ፡ ብ 16 ሕዳር 2022 ከም ዝዓረፈ ተፈሊጡ። በርሀ ፓታታ፡ ኣብ ቦታ ምክልኻል ተሰሊፉ ዝጻወት ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብቲ ኣብ 1962 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣንጻር ግብጺ ዝተኻየደ መዛዘሚ ጸወታ፡ ብሉጽ ብቕዓት ከም ዘርኣየ መዛጋብቲ ታሪኹ ይሕብሩ ። ኣብታ 12 ኤርትራውያን ተጻወትቲ ዝመረጸት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጲያ፡ ኣብ መዛዘሚ ግጥም ካብ ዝተጻወቱ ሸሞንተ ቀዳሞት ተሰለፍቲ በርሀ ፓታታ ሓደ እዩ ነይሩ። ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበርትሉ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ 60ታት- መፋርቕ 70ታት፡ ደረጃ ኵዕሶ እግሪን ብቕዓት ክለባትን ኤርትራ ልዑል ብምንባሩ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ካብ ኤርትራ ክትመርጽ ከም ዝኸኣለት ታሪኽ ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ የመልክት። በዚ መሰረት፡ ኣብቲ ብጥሪ 1962 ዝተኻየደ ሳልሳይ ውድድር ዋንጫ ኣፍሪካ - ካፍ፡ ዝተሰለፉ ኤርትራውያን ተጻወቲ፡ ጊላሚካኤል ተስፋማርያም [ወዲ ማርያኖ] ሓላው ልዳት፣ ኣስመላሽ በርሀ፡ ክፍሎም ኣርኣያ፡ በርሀ ጐይትኦም [ፓታታ] - ተኸላኸልቲ፣ ተስፋይ ገብረመድህን [ወዲ ቕጭነ] ኢታሎ ቫሳሎ - ኣከፋፈልቲ፣  ተኽለ ኪዳነ [ስልኪ] ኢታሎ ቫሳሎ - ኣጥቃዕቲ ከም ዝነበሩ ታሪኽ እታ ሃገራዊት ጋንታ ይነግር። ብዘይካኦም፡ ብርሃነ በየነ፡ ሃይለ ተስፋጋብር [ዱባ] ነጋሲ ገብረሚካኤል [ወዲ ባኒ] ጸጋይ ተስፋይ [ሸሪፎ] ተቐየርቲ ከም ዝነበሩ’ውን ይፍለጥ። ኣብቲ፡ ሃጸይ ሃይለስላሰ ዝተረኽቡሉ ኣብ ጥሪ 1962፡ ኣብ ስታድዩም ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ መዛዘሚ ጸወታ፡ በርሀ ፓታታ፡ ምስ ድልዳለ ሰብነቱን ብቕዓቱን ሓያል ናይ ምክልኻል ዕማም ከም ዝገበረ ብጾቱ ይምስክሩ። ኣብቲ ጸወታ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ንሃገራዊት ጋንታ ግብጺ 4 ብ 2 ረቲዓ ዋንጫ ኣፍሪቃ ከም ዝዓተረት ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ነቲ ጸወታ ግብጺ ኣቐዲማ 2 ብ 0 ክትመርሖ ከም ዝወዓለት እዩ ዝፍለጥ። ድሕሪ 74 ደቒቕ ግን ኤርትራውያን ተኽለ ስልኪን ኢታሎን ሓሓንቲ ሸቶታት ኣመዝጊቦም፡ ነቲ ውጽኢት ብምምዕርራይ፡ ናብ ተወሳኺ ግዜ ከምርሕ ገበሩ። ኣብ ተወሳኺ ግዜ ኢታሎ ሓንቲ ወሲኹ፤ ፍሉጥ ኢትዮጵያዊ ተጻዋታይን ደሓር ኣሰልጣኒ እታ ሃገራዊት ጋንታትን ኰይኑ ዝነበረ መንግስቱ ወርቁ ድማ መበል ራብዓይቲ ሸቶ ብምምዝጋብ፡ እታ ሃገራዊት ጋንታ ብሓፈሻ 4 ብ 2 ክትዕወትን፡ ዋንጫ ካብ ኢድ ንጉስ ሃይለስላሰ ክትጭብጥን ኣብቅዑዋ። በርሀ ጐይትኦም ፓታታ፡ ብሓፈሻኡ ንሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ወኪሉ ኣብ ሓሙሽተ ውድድራት ዋንጫ ኣፍሪቃ ክሳተፍ ዝኸኣለ፡ ሓደ ካብ ስሙያት ገዳይም ስፓርተኛታት ኤርትራ እዩ። ጐድኒ ጐድኒ’ቲ ዝሃበበሉ ጸወታ ኵዕሶ እግሪ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ኣብ ዝነበረ ውዳበታት ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ተወዲቡ፡ ምስጢራዊ ስርሓት የካይድ ከም ዝነበረ ታሪኹ የመልክት። ፓታታ፡ ኣብ 1975 ናብ ሜዳ ቓልሲ ተሰሊፉ ክሳብ ናጽነት ኣብ ዝተፈላለየ ኣሃዱታት ተመዲቡ ከም ዝተጋደለ’ውን ይፍለጥ። በርሀ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ካብ 1995-1998 ብደረጃ ምኽትል ፕረዚደት፤ ከምኡ’ውን ኣብ መገዲ ኣየር ኤርትራን በዓል መዚ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ሰሪሑ እዩ። ገዲም ስፖርታውን ተጋዳላይን ነበር በርሀ ጐይትኦም ፓታታ፡ ብሓሙስ 17 ሕዳር ኣብ መካነ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተቐቢሩ።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c25xw10v58ro"} {"headline":"ስም ተጻዋታይ ማንቸስተር ሲቲ ሃላንድ ንሽወደን ዘስግኣሉ ዘሎ ምኽንያት እንታይ’ዩ?","content":"እቲ ሽወደን ናብ ኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግሪ፣ ጋዜጠኛታትን ካልኦትን ዘቕረበቶ ምሕፅንታ ሃላንድ ዝብል ስም ክትጽሕፉ ከለኹም ኣስተብህሉ ዝብል’ዩ። ቦርድ ቱሪዝም እታ ሃገር ክልተ ዘይራኸቡን ኣፈላላይ ዘለዎምን ግን ድማ ብ ‘ሃላንድ’ ዝፀውዑ ነገራት ፈላሊኹም ፍለጡ ዝብል ፃውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ። እቲ ሓደ ኣብዚ ዓመተ ውድድር ናብ ማንቸስተር ሲቲ ካብ ዝጽንበር ጀሚሩ ኣብ 15 ጸወታታት 22 ሸቶታት ዘመዝገበ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኮይኑ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ብገማግም ባሕሪ ዝፍለጥ ዞባ ሽወደን እዩ። ፍጹም ዘይመሳሰሉ እንከለዉ፡ ኣብ ኢንተርነት ግና ንብዙሓት የደናገሩ ኣለዉ። ነቲ ኣብ ሽወደን ዘሎ ሃላንድ [Halland - በዓል ሓደ ፊደል ‘a’ ን ክልተ ፊደላት ‘l’ን] ብዝብል ዝፍለጥ ገማግም ባሕሪ ዝደሊ ሰብ ፡ ነቲ ስም ክፅሕፍ ከሎ ቀሊል ናይ ፊደላት ኣጸሓሕፋ ጌጋ እንተፈጢሩ፡ ነቲ ገማግም ባሕሪ ዘይኮነስ ኣብ ክንድኡ ማእለያ ዘይብሉ ስእልታት ኖርወጃዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኤርሊንግ ብራውት ሃላንድ ክረክብ ተኽእሎ ኣሎ። ሓላፊ ቦርድ በጻሕቲ ሽወደን ኣብዚ ጉዳይ ኣምሪሩ ይዛረብ። ዳይረክተር ‘ቪዚት ሃላንድ’ ጂሚ ሳንድበርግ፡ ናብ እንግሊዛውያን፣ ጋዜጠኛታትን ኣብ መላእ ዓለም ናብ ዝርከቡ ኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግሪን ኣብ ዝፀሓፎ ቅሉዕ ደብዳበ፡ ነቲ ፅሑፍ ጽሒፎም ቅድሚ ምልኣኾም ፊደላት ደጊሞም ከረጋግፁ ሓቲቱ’ሎ። \"ንሕና ሃላንድ [Halland- ደድሕሪ ፊደል ‘H’ ሓንቲ ‘a’ ክልተ ‘l’ ዘለዎ] ኢና። ንሱ ሃላንድ [Haaland - ደድሕሪ ፊደል ‘H’ ክልተ ‘a’ ሓደ ‘l’ ዘለዎ] እዩ። ተፈታውነት ናይቲ ተፃዋቲ ኩዕሶ እግሪ ንህላወና ኣብ ኢንተርነት ምሉእ ምሉእ ብምሉእ ይጭፍልቖ ኣሎ\" ክብል ጽሒፉ። “ኩሉ እቲ ንዞባ ሃላንድ [Halland] ንምልላይ ዝገበርናዮ ጻዕርታት ብቕልጡፍ ይሃስስ ከምዘሎ ንርኢ ብምህላውና ተስፋ ንቖርፅ ኣለና\" ክብል ሓቢሩ። \"ዝኾነ ነገር እንተዘይተገይሩ፡ እታ ተፈታዊት ዞባና ኣብ ዛንታታትን ጥንታውያን ቅዱሳት መጻሕፍትን ጥራይ እትፍለጥ ዝተረሰዐት ኣትላንቲስ ክትከውን ኣብ ሓደጋ ከምዘላ ኢና ንሰግእ\" ሳንድበርግ ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ነታ ኣብ ሽወደን እንነብረላ ውቁብቲ ዞባ ደሊኻ ሃላንድ [Halland] ኢልካ ክትጽሕፍ ከለኻ፡ ነቲ ሃላንድ [Haaland] ዝብል ኢኻ ኣብ ኩሉ ቦታ ትረኽቦ\" ብምባል ኣረዲኡ። “ሃላንድ ናብ ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ተፀምቢሩ ነተን ኩለን ሸቶታት ካብ ዘመዝግብ ንደሓር፡ ኣብ ሃሽታግናን ኣብ መድለዪ ቁልፊ ቃልን [search engines] ብኡኡ ተዋሒጥና ኣለና” ይብል ዳይረክተር ‘ቪዚት ሃላንድ’ ጂሚ ሳንድበርግ። ንሱ እቲ ናይ ምትሕውዋስ ፀገም ንኽፍታሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ፡ ተፃዋቲ ማንቸስተር ሲቲ ሃላንድ ናብቲ ኣብ ሽወደን ዝርከብ ገማግም ዘለዎ ዞባ ክመፅእ ዓዲምዎ ኣሎ። \"ናብዚ እንተዝመጽእ ደስ ምበለና። ብዙሓት ኖርወጃውያን ዓመት ዓመት ናብዚ ይመጹ እዮም፡ ስለዚ ኣብ ገዝኡ ከምዘሎ ኮይኑ ምተሰምዖ\" ኢሉ። \"ኣብ ዝመጽእ ሓጋይ ኣብ ሃላንድ [Halland] ንራኸብ፡ ሃላንድ [Haaland]\" ክብል ድማ ነቲ ተፃዋቲ ኩዕሶ እግሪ መፀዋዕታ ኣቕሪቡሉ።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c6pj1ndd2r4o"} {"headline":"ከሪም ቤንዘማ ካብ ዋንጫ ዓለም ከም ዝተኣልየ ተረጋጊጹ","content":"ፈረንሳዊ ኣጥቃዓይ ከሪም ቤንዘማ፡ ኣብ ልምምድ ብሰንኪ ዘጋጠሞ መጕዳእቲ ሰለፍ፡ ካብቲ ሎሚ ዝኽፈት ዋንጫ ዓለም 2022 ቐጠር ከም ዝተኣልየ ተረጋጊጹ። ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ፡ ቀዳማይ ኣጥቃዒኣ ከሪም ቤንዘማ፡  ኣብ ሰለፉ ጸገም ከም ዘጋጠሞ፡ ኣብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ክሳተፍ ከም ከምዘይክእል ገሊጻ። ቤንዘማ፡ ክለቡ ሪያል ማድሪድ ሻምፕዮንስ ሊግ ኣውሮጳን ላሊጋ ስጳኛን ንኽትዓትር ብዝተጻወቶ መሪሕ ተራ፡ ንብሉጽ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ዝወሃብ ሽልማት ባሎን ዲ ኦር 2022 ከም ዝተዓወተሉ ዝዝከር እዩ። ኣብዚ እዋን፡ \"ብምሉኣ ጋንታ ሓዘን ቤንዘማ ትካፈል ኣላ፣ ቅልጡፍ ሕውየት ድማ ትምነየሉ\" ክትብል ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ ገሊጻ። እቲ ካብ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ፈረንሳ ዝወጽአ መግለጺ፡ ብኤምኣርኣይ ዝተገብረ መርመራ፡ ቤንዘማ ኣብ ጭዋዳታት ሰለፉ መጕዳእቲ ከም ዘለዎ ከምዘረጋገጸ፡ \"እዚ ድማ ንኽሓዊ ሰለስተ ሰሙን ከምዘድልዮ\" የመልክት። ፈረንሳ፡ ኣብ ምድብ ኣርባዕተ [D] ተመዲባ፡ 22 ሕዳር ምስ ኣውስትራልያ፡ 26 ሕዳር ምስ ዴንማርክ፡ 30 ሕዳር ድማ ምስ ቱኒዝያ ጸወታ ተሰሪዑላ’ሎ። ኣሰልጣኒኣ ዲድየር ደሻምፕ፡ መተካእታ ቤንዘማ ክጽውዕ ክሳብ ሰኑይ ግዜ ዘለዎ ኰይኑ፡ እቲ ኣብ 97 ጸወታታት ንፈረንሳ ተሰሊፉ 37 ሸቶታት ዘመዝገበ ወዲ 34 ዓመት ቤንዘማ ዘጋጠሞ ማህረምቲ፡ ነታ ዕውትቲ ዝሓለፈ ውድድር ዋንጫ ዓለም ዝዀነት ፈረንሳ ካልእ ጽፍዒት እዩ። ብሰንኪ ማህረምቲ፡ ኣከፋፈልቲ ፖል ፖግባን ንጎሎ ካንተን ድሮ እታ ጋንታ ስኢናቶም ዘላ ተጻወትቲ ኰይኖም፡ ተኸላኻላይ ማንቸስተር ዩናይትድ ራፋኤል ቫራነ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ 5 ጸወታታት ክለቡ ብዘይምስታፉ፡ ንጸወታ ብቝዕ ክኸውን ይጽዕር ኣሎ። ዝሓለፈ ረቡዕ ኣጥቃዓይ ኣርቢ ለይፕዚግ ክሪስቶፈር ንኩንኩ ድሕሪ ዘጋጠሞ ማህረምቲ ካብቲ ውድድር ተኣልዩ፡ ተጻዋታይ ፍራንክፈርት ራንዳል ኮሎ ሙኣኒ ከም መተካእታ ተጸዊዑ'ሎ። ኣጥቃዓይ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣንቶኒ ማርሻል ሓደ ካብቶም ንቤንዘማ ብቐዳምነት ክትክኡ ዝኽእሉ ኣጥቃዕቲ ፈረንሳ ይዅን እምበር፡ ንሱ'ውን ካብ ጥቅምቲ ኣትሒዙ ብጸገም ማህረምቲ ሰለፍ ክሳቐ ዝጸንሐ እዩ። ኣጥቃዓይ ሪያል ማድሪድ፡ ቤንዘማ ኣብ ዝሓለፈ 6 ጸወታታት ክለቡ ንፍርቂ ሰዓት ዘይመልእ ግዜ ጥራይ እዩ ተጻዊቱ። ዝሓለፈ ሰሙን እታ ሃገራዊት ጋንታ ንዋንጫ ዓለም ካብ እትእከብ ንደሓር፡ ቤንዘማ፡ ንፈለማ እዋን ትማሊ ቀዳም ኣብ ምሉእ ልምምድ ዝተሳተፈ ኰይኑ፡  ብመጕዳእቲ ካብ ልምምድ ምስ ወጸ ሕክምናዊ መርመራታት ኣካይዱ። ኣሰልጣኒ ደሻምፕ፡ “ነዚ ዋንጫ ዓለም ዓቢ ሸቶ ዝነበሮ ካሪም ኣመና ኣሕዚኑኒ” ኢሉ። \"እዚ ሓድሽ ዕንቅፋት’ኳ እንተሃለወ፡ ኣብ ጋንታይ ምሉእ እምነት ኣሎኒ፤ ነቲ ዝጽበየና ዘሎ ገዚፍ ብድሆ ንምግጣም ዝከኣለና ኵሉ ክንገብር ኢና።\"","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/clj3kl9668eo"} {"headline":"ቼልሲ'ዶ ኣርሰናል? ግምታት ፕሪምየር ሊግ","content":"ኣብዚ ሰሙን ዝካየድ ጸወታታት ፕሪምየር ሊግ፡ ቼልሲ ምስ ኣርሰናል፡ ሊቨርፑል ምስ ቶተንሃም ከራኽብ እዩ። ተንታኒ ኩዕሶ እግሪ ሱተን፡ ውጽኢት ጸወታታት ፕሪምየር ሊግ ንምግማት ዝኸበዶ ይመስል። ብፍላይ ሊድስን በርንማውዝን ዘካይድኦ ጸወታታት ንምግማት ተጸጊሙ እዩ። ስለዚ ሎሚ ክልቲአን ክለባት ኣብ ዝራኸባሉ እዋን መን ከምትዕወት ይግምት ይኸውን? \"ደገፍቲ ሊድስን በርንማውዝን ብግምተይ ሕጉሳት ኣይኮኑን\" ዝብል ሱተን፡ \"ክልቲአን እንተዝስዓራ ምተሓጎስኩ ነይረ\" ይብል። ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሊድስ ናብ ኣንፊልድ ኣብ ዝተጓዕዘትሉ እዋን ሊቨርፑል 6 ብ 1 ከም እትስዕራ ኣተንቢሁ ነይሩ። እንተኾነ ሊድስ ንሊቨርፑል ኣብ ቅድሚ ደገፍታ ብዘደንቕ ብቕዓት 2ብ1 ረቲዓታ። ሱተን፡ በርንማውዝ ዝሓለፈ ሰሙን ንቶተንሃም 2 ብ 0 ክትመርሕ እኳ እንተኸኣለት፡ ኣብ መወዳእታ 3 ብ 2 ከምዝተሳዕረት ብብዝካር፤ ናይ ጽባሕ ጸወታ፡ ሊድስ ክትዕብለል ትጽቢት ይግበር ኢሉ። ግምት፡ 2 - 1 ሲቲ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ጸወታታት ብዘይ ኣጥቃዓይ ሃላንድ እያ ተጻዊታ። ይኹን እምበር ሃላንድ ይሃሉ ኣይሃሉ ኣብዚ ጸወታ ብቐሊሉ ክትዕወት ​​እያ። ሱተን ርግጸኛ ዘይኮነሉ ነገር እንተሃልዩ ፉልሃም ካብ ስዕረት ዘድሕና ሸቶ ክተመዝግብ ትኽእል ድያ ኣይትክእልን ዝብል እዩ። ሓላዊ ልዳት ኤደርሰን ስለዝኾነ ፉልሃም ሸቶ ኣይተመዝግብን ይብል። ግምት 3 – 0 ዝሓለፈ ሰሙን ኖቲንግሃም ፎረስት ብኣርሰናል 5 ብ 0 ድሕሪ ምስዓራ፡ ኣሰልጣኒ ስቲቭ ኩፐር ኣብ ተወዳዳርነት ጋንትኡ ሕቶ ኣልዒሉ እዩ። ኖቲንግሃም ፎረስት ቅድሚ ምስ ኣርሰናል ምጽዋታ ኣብ ሜድኣ ንሊቨርፑል ረቲዓታ እያ። ዝሓለፈ ሰሙን ብኣርሰናል ዘጋጠማ ዓቢ ስዕረት፡ ኣብ ሜድኣ ንብሬንትፎርድ ክትስዕራ ምዃና ጥርጣረ ፈጢሩለይ ይብል። ብሬንትፎርድ ኣብዚ ዓመተ ካብ ሜድኣ ወጻኢ ገና ዓወት ኣይረኸበትን። ምስዚ ክልቲአን ክለባት ብማዕረ ክፈላለያ እየን። ግምት፡ 1 -1 ዝሓለፈ ሰሙን ዎልቭስ ካብ ብሬንትሮድ ነጥቢ ሒዛ ክትወጽእ ተቓሊሳ እያ። ከም ጋንታ ግን ድኽምቲ ኣይትመስልን። ዎልቭስ፡ ድየጎ ኮስታ ብቀይሕ ምውጽኡ ስለዝጎድኣ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ብራይተን ዘለዋ ብቕዓት ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ዓወት ናይ ብራይተን ክኸውን'ዩ። ግምት፡ 0 – 1 ሌስተር ኣብዚ እዋን ምምሕያሽ ተርእይ ኣላ። ዝሓለፈ ሰሙን ንሻምፕዮን ሲቲ ጽቡቕ ጌራ ፈቲናታ’ያ፡ እንተኾነ ግን ተሳዒራ። ኮይኑ ግን ኤቨርተን ኣብ ሜድኣ ክትዕወት እያ ዝብል ግምት ኣለኒ። ኤቨርተን ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣንጻር ክሪስታል ፓላስ ዝገበረቶ ኣብ ጉዲሰን ፓርክ ዓወት ክትጥዕም እያ ይብል ሱተን። ግምት፡ 2 - 1 ዝሓለፈ ዓመት ኣርሰናል ናብ ስታንፎርድ ብሪጅ ተጓዒዛ ክልተ ግዜ ተዓዊታ። ግን ንሳልሳይ ግዜ ብተኸታታሊ ዝዕወቱ ኣይመስለንን። ዓወት ኣርሰናል ኣብ ቡካዮ ሳካ ዝምርኮስ ኢዩ። ግራሃም ፖተር ናብ ቸልሲ ካብ ዝመጽእ ንደሓር፡ እታጋንታ ኣብ ዝሓሸ ብቕዓት ትርከብ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብብራይተን ተሳዒራ እያ፡ ግን ዳግማይ ብኣርሰናል ትስዓር ኣይመስልን። ግምት፡ 1-1 ማንቸስተር ዩናይትድ ካብ ሜድኣ ወጻኢ ክትዕወት ​​እያ ይብል ሱተን። ኤሪክ ቴን ሃግ፡ ትገርም ጋንታ ይምስርት ኣሎ። ቪላ ዝሓለፈ ሰሙን ብኒውካስል ተሳዒራ እያ። ኡናይ ኤመሪ ኣሰልጣኒ ኮይኑ ተቖጺሩ እኳ እንተኾነ፡ ብዩናይትድ ምስዓሩ ዘይተርፍ እዩ። ግምት፡ 0 – 1 ኤዲ ሃው ኣብ ኒውካስል ዝሰርሖ ዘሎ ዝድነቕኢዩ። እታ ጋንታ ብጽቡቕ ዝተወደበት እያ። ኣብ ምክልኻል እውን ሓያላት እዮም። ኣብ ልዑል ብቕዓት ዝርከብ ዊልሰን ምስ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ንዋንጫ ዓለም ናብ ቀጠር ክኸይድ ኣለዎ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ሱተን ይገልጽ። ሳውዝሃምፕተን ቀጻሊ ብቕዓት ተርኢ የላን። ንኣብነት ምስ ኣርሰናል ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ ኣብ ፈለማ ተዓብሊላ ነይራ። ድሓር ግን ፍሉይ ጸወታ ኣርእያ’ያ። ብኣንጻሩ ኒውካስል ዩናይትድ ኣብ ጽቡቕ ብቕዓት ትርከብ። ስለዚ ኒውካስል ካብ ሜድኣ ወጻኢ ክትዕወት ​​እያ። ግምት፡ 0 – 2 ሊግ ናይ ሎሚ ዓመት ​​ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ካብ ሜድኣ ወጻኢ ዘይተዓወተት ጋንታ ክሪስታል ፓላስ ኢያ። ፓትሪክ ቪየራ ናብ ዌስትሃም ተጓዒዙ ነዚ ክብረወሰን ክቕይር እዩ ኢለ ኣይጽበን። ዌስትሃም ኣንጻር ማንቸስተር ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ ሓንቲ ነጥቢ ከይተኻፈለት ምውጽኣ ዕድለኛ ኣይኮነትን። ዌስትሃም ኣብ ዝሓለፈ 6 ጸወታታት ኣብ ስታድዩም ለንደን ኣብ ኩሎም ውድድራት ተዓዊታ እያ። ግምት፡ 2 – 1 ሶን ሄንግ ሚን ዘጋጠሞ መጉዳእቲ ንቶተንሃም ሓደጋ እዩ። ካልኦት ኣጥቃዕቲ ሪቻርልሰንን ኩሉሰቭስኪን ብሰንኪ መጉዳእቲ ከምዘይስለፉ ክንርስዕ የብልናን። ንደገፍቲ ቶተንሃም እቲ ጽቡቕ ነገር ኣብዚ ጸወታ ሊቨርፑል ክትዕወት ​​እያ ኢለ ምግማተይ እዩ ይብል ሱተን። ምኽንያቱ ሊቨርፑል ክትዕወት ​​እያ ኢለ ኣብ ዝግምተሉ እዋን እቲ ውጽኢት ብኣንጻሩ እዩ ዝኾን ዘሎ። ሓቂ ንምዝራብ ካብዚ ውጽኢት እንታይ ክጽበ ከም ዘለኒ ርግጸኛ ኣይኮንኩን። ሊቨርፑል ኣብ ጸወታታት ኣውሮጳ ብሉጽ ውጽኢት ክተመዝግብ ከላ፡ ኣብ ፕረምየር ሊግ ግን ዘይተጸበየቶ ስዕረት የጋጥማ ኣሎ። ብሊድስን ኖቲንግሃም ፎረስትን ተሳዒራ እያ። ስፐርስ ድማ፡ ሶን ይሃሉ ኣይሃሉ፡ ዋላ ቀዲሞም እንተመርሑ’ውን፡ ፊስካ ክሳብ ዝንፋሕ ንምስዓር ዘይገብርዎ ነገር የለን። ዋላ እኳ ሊቨርፑል ኣብዚ ጸወታ ክትዕወት ​​እያ ኢለ እንተሓሰብኩ፡ እቲ ውጽኢት ግን ብኣንጻሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። ግምት፡ 1 – 2","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyj8kndp70jo"} {"headline":"ዲዴር ድሮግባ ሃይማኖቱ ናብ እስልምና ቀዪሩ ድዩ?","content":"ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ፍሉጥ ኣፍሪቃዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዲዴር ድሮግባ ናብ መበቆል ዓዱ በጺሑ ነይሩ። እቲ ኣይቮሪኮስታዊ ኣብታ ዓዲ ምስ ከደ፡ ኣብ ሓደ ኣብታ ቁሸት ዝርከብ መስጊድ ምስ ሓደ መራሒ ሃይማኖት እስልምና ክጽሊ ተራእዩ። እቲ መራሒ ሃይማኖት ድሮግባ ምስኡ ክጽሊ ዘርኢ ስእሊ ብምዝርጋሕ፡ እቲ ፍሉጥ ኣጥቃዓይ እንግሊዛዊት ክለብ ቸልሲ ዝነበር ናብ እስልምና ከምዝቐየረ ኣፍሊጡ ከምዝነበረ'ዩ ዝግለጽ። በዚ ዝተላዕለ ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ውዕዉዕ ዛዕባ ፈጢሩ ቀንዩ። እንተኾነ፡ ድሮግባ ብሰኑይ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሃይማኖቱ ከምዘይቀየረ ብምግላጽ፡ \"ንኣስላም ኣሕዋተይ ዘለኒ ክብረት ንምግላጽ ዝገበርኩዎ'ዩ\" ክብል ኣነጺሩ። \"ናይ ምትሕቑቛፍ ህሞት\" ከምዝነበረ'ዩ ድሮግባ ዝገልጽ። እቲ መሓመድ ሳላሕ ዝተባህለ መራሒ ሃይማኖት፡ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝጠቅዖ ብስእሊ ዝተሰነየ ሓበሬታ ጸኒሑ ኣውሪድዎ'ዩ። እንተኾነ ግን፡ ድሮግባ ናብ እስልምና ክቕይር ጸሎቱ ከምዘየቋርጽ ተዛሪቡ። ዲዴር ድሮግባ፡ ኣብ ፕሪሜርሊግ ዓዲ እንግሊዝ ዝና ዘትረፈ ኣጥቃዓይ ኮይኑ፡ ምስ ሃገራዊ ጋንታኡ ኣብ 100 ግጥማት ዝተሳተፈ'ዩ። ንሃገሩ ወኪሉ ኣብቲ ናይ 2006፡ ከምኡ'ውን 2010 ዋንጫ ዓለም ምጽዋቱ'ውን ይዝከር። ኣብ 2018 ካብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ክሳብ ዝወጽእ ድማ፡ እቲ ንሃገራዊት ጋንታ ኣይቮሪኮስት ዝበዝሐ ሸቶታት ዘመዝገበ ተጻዋታይ'ዩ ነይሩ። ኣብ 2009፡ ከምኡ'ውን ኣብ 2012 ሽልማት ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተጻዋታይ ተዓዊቱ ምንባሩ'ውን ይፍለጥ። ድሮግባ፡ ፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ሃገሩ ንምዃን ተወዳዲሩ'ኳ እንተነበረ፡ ኣይተዓወተን።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cglg5lzg844o"} {"headline":"ምትፍናን ክርስትያኖ ሮናልዶን ማንቸስተር ዩናይትድን እንታይ ዘንቀሎ'ዩ?","content":"ክርስትያኖ ሮናልዶ \"ንድሌት ልቡ\" ብምስዓብ ዳግማይ ናብ ማንቸስተር ዩናይትድ ቅድሚ ምጽንባሩ ምስ ተቓናቓኒታ ማንቸስተር ሲቲ ንምፍራም ኣብ ጫፍ በፂሑ ከምዝነበረ ተዛሪቡ። እዚ ፖርቱጋላዊ ኣጥቃዓይ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ጋንታ ዩናይትድ \"ጠሊማትኒ\" ክብል ንቶክ ቲቪ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣዘራረቢ ኮይኑ ይርከብ። ብዛዕባ ናብ ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ክፅምበር ምግምጋሙ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ “\"ብሓቂ ንምዝራብ ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ በፂሑ ነይሩ\" ክብል ተዛሪቡ። ሮናልዶ፡ ምስ ጋንትኡ ነበር ዩናይትድ ተፈላልዩ ናብ ማድሪድ ካብ ዝፅምበር ድሕሪ 11 ዓመት’ዩ ኣብ ነሓሰ 2013 [ኣቆፃፅራ ግእዝ] ካብ ጁቬንቱስ ናብ ኦልድትራፎርድ ተመሊሱ። ኣብቲ እዋን ብኣሰልጣኒ ሲቲ ፔፕ ጓርድዮላ ይድለ ከምዝነበረ ተሓቢሩ ነይሩ። ሮናልዶ ድልየት ከምዝነበሮ ብምርግጋፅ፡ ምስ ኣሰልጣኒኡ ነበር ሰር ኣሌክስ ፈርጉሰን ድሕሪ ምዝርራቡ ግን ናብ ዩናይትድ ክምለስ ከምዝወሰነ ይዛረብ። እዚ ወዲ 37 ዓመት ኮኾብ ተጻዋታይ ወሲኹ፡ \"ኣብ ማንቸስተር ዩናይትድ ዝነበረኒ ታሪኽ ትፈልጦ ኢኻ፤ ቅድሚ ሕጂ ዝገበርካዮ ክትዝክር ከለኻ፡ ልብኻ ኣብ ውሳነ ለውጢ የምጽእ'ዩ። ደሓር ከኣ ሰር ኣሌክስ ፈርጉሰን ኣሎ” ኢሉ። \"ኣዘራሪበዮ። ንሱ 'ናብ ማንቸስተር ሲቲ ክትመጽእ ዘይከውን ነገር'ዩ' ኢሉኒ። ስለዚ 'ሕራይ ሓለቓ' ኢለዮ\" ክብል ኣረዲኡ። ብሰንኪ ሕማም ከብዲ ፖርቱጋል ኣንጻር ናይጀርያ ሎሚ ኣብ እትገብሮ ምሕዝነታዊ ግጥም ዘይሳተፍ ሮናልዶ፡ ንኣተሓሳስባን ሞያዊ ብቕዓትን መንእሰያት ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ብምንቃፍ፡ ንዓበይትን ምኩራትን ደቂ ጋንትኦም \"ኣየኽብርዎምን\" ክብል ኣብቲ ዝሃቦ ቃለመሕትት ከሲሱ። “[መናእሰያት ተፃወትቲ] ነገራት ዝቐለለሎም ይመስለኒ። ኩሉ ነገር ቀሊል እዩ። ብዙሕ ኣይደኽሙን። ግዱሳት እውን ኣይኮኑን\" ክብል ነቒፉ። \"ኣብ ማንቸስተር ዩናይትድ ዘለዉ ውሑዳት ተፃወትቲ ጥራይ ማለተይ ኣይኮንኩን። ኣብ ኩለን ሊጋት ዓለም ዘለዉ መንእሰያት ኩሎም ከም ናተይ ወለዶ ኣይኮኑን\" ይብል ሮናልዶ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ \"ግን ክትወቕሶም ኣይትኽእልን ኢኻ። ምኽንያቱ ኣካል ህይወትን ሓድሽ ወለዶን ስለዝኾነ። ሓድሽ ቴክኖሎጂ ትኹረቶም ይመቓቕሎ እዩ\" ይብል። ሮናልዶ፡ ወዲ ጋንትኡ ዩናይትድን ሃገራዊት ጋንታ ፖርቱጋልን ንዝኾነ ወዲ 23 ዓመት ዲዮጎ ዳሎ ግን ካብቶም ከመስግኖም ዝኽእል ውሑዳት መንእሰያት ተጻወትቲ ምዃኑ ተዛሪቡ’ሎ። ወሲኹ፡ ሊሳንድሮ ማርቲነዝን ካሴሚሮን ካልኦት ኣብታ ክለብ ዘድንቖም ተጻወትቲ ምዃኖም ገሊጹ። \"ዳሎ ካብ ማንቸስተር ዩናይትድ ክጠቅስ እኽእል እየ። መንእሰይ'ዩ ግን ኣዝዩ ፕሮፌሽናል'ዩ። ኣብ ኩዕሶ እግሪ ነዊሕ ዕድመ ከም ዝፀንሕ ኣይጠራጠርን\" ክብል ንኢዱዎ። ምኽንያቱ ከረድእ ከሎ ድማ “መንእሰይ፣ በሊሕ፣ ትኩርን ኣዝዩ ፕሮፌሽናልን'ዩ” ብምባል ይገልጾ። ሮናልዶ ናብ ዩናይትድ ምስ ተመልሰ ድሕሪ ክልተ ወርሒ፡ ወዲ ጋንትኡ ነበር ኦለ ጉናር ሶልሻየር ካብ ኣሰልጣንነቱ ከምዝተሰናበተ ይዝከር። ኣብ ክንድኡ ድማ ጀርመናዊ ራልፍ ረይኒክ ክሳብ መወዳእታ ናይቲ ዓመተ ግዝያዊ ኣሰልጣኒ ኮይኑ ተመዚዙ። እቲ ጀርመናዊ ንጋንታ ላይፕዚግ፣ ሻልከን ካልኦት ብዙሓት ክለባትን ኣሰልጢኑ እዩ። ኣብ ኩዕሶ እግሪ ዘለዎ ፍልስፍና ድማ ኣብ ከም በዓል የርገን ክሎፕን ቶማስ ቱሸልን ዝኣመሰሉ ኣሰልጠንቲ ጽልዋ ከምዘሕደረ ይንገር። ሮናልዶ ግን በቲ ሹመት ከምዝተገረመ እዩ ገሊጹ። \"እቲ ሰብኣይ ኣሰልጣኒ'ውን ኣይኮነን። ማንቸስተር ዩናይትድ ዝኣክል ዓባዪ ጋንታ ከተምጽኦ ከላ፡ ንዓይ ጥራይ ዘይኮነስ ንመላእ ዓለም'ዩ ኣገሪሙ\" ኢሉ። ሮናልዶ ብዛዕባ ረይኒክ ሰሚዑ ይፈልጥ እንተኾይኑ ምስ ተሓተተ፡ \"ብዛዕባኡ ፈጺመ ሰሚዐ ኣይፈልጥን። ካብ ዘዘራረብክዎም ሰባት እውን ብዛዕብኡ ዝፈልጥ የለን\" ክብል መልሲ ሂቡ። \"የኽብሮ እየ። ንኹሎም ኣብ ሞያይ ዝነበሩ ኣሰልጠንቲ 'ሓላፊ' ክብሎ ይግብኣኒ። ንዕኡ ግን ከም ኣሰልጣኒ ኣይርእዮን እየ። ምኽንያቱ ገለ ዘይሰማማዓሎም ነጥብታት ስለ ዝረኣኹ\" ክብል ተዛሪቡ። ሮናልዶ፡ ተጻወትቲ ማንቸስተር ዩናይትድ ነበር ዋይን ሩኒን ጋሪ ኔቪልን ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ባህርያቱ ርእይቶ ድሕሪ ምሃቦም፡ ነቒፍዎም እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣንጻር ቶተንሃም ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ፡ ተቐይሩ ናብ ሜዳ ምእታው ብምእባዩ፡ ኣብታ ክለብ ዘየድሊ ክትዕ ይፈጥር ከምዘሎ ሩኒ ገሊጹ ነይሩ። ፖርቱጋላዊ ሮናልዶ ብዛዕባ ሩኒ ተሓቲቱ ክምልስ ከሎ፡ “ንምንታይ ክሳብ ክንድዚ ብኽፉእ ከም ዝነቕፈኒ ኣይፈልጥን እየ። ብኣይ ይቐንእ እንተኾይኑ ኣይፈልጥን\" ኢሉ። ወሲኹ \"ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ብሓቂ ኣይርድኡንን። ቀልቢ ማዕኸናት ዜና ክስሕቡ ድዮም ዝደልዩ ወይስ ሓድሽ ስራሕ ወይ ካልእ ኣይፈልጥን\"። \"ምናልባት ቅንኢ'ዩ ዝኸውን፤ ምኽንያቱ ኣብ 30ታት ዕድሚኡ እዩ ጫምኡ ሰቒሉ። ኣነ ግን ክሳብ ሕጂ ብልዑል ደረጃ እየ ዝጻወት ዘለኹ\" ይብል ሮናልዶ። ብዛዕባ ኔቪል ክዛረብ ከሎ ድማ \"ኣዕሩኽተይ ኣይኮኑን፤ ደቂ ጋንታይ እምበር። ንኣብነት ድራር ብሓባር ኣይንበልዕን ኢና\" ክብል ኣረዲኡ። \"እዚ ግን ኣካል ጉዕዞይ'ዩ። ኩሉ ግዜ እዮም ዝነቕፉኒ። ኣነ ድማ ጉዕዞይ ክቕጽልን ምስ ዝፈትዉኒ ሰባት ክራኸብን ኣለኒ\" ኢሉ። ሮናልዶ፡ ንካልኦት ከም ብዓል ሮይ ኪን፡ ከምኡ'ውን ሪዮ ፈርዲናንድ ዝበሉ ደቂ ጋንትኡ ነበር ዘለዎ ክብሪ ገሊጹ'ሎ። ብፍላይ ነቲ ሓለቓ ጋንታ ዩናይትድ ዝነበረ ኪን \"እቲ ዝበለጸ ሓለቓ\" ክብል'ዩ ዝንእዶ።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd193y1vv23o"} {"headline":"10 ብሉጻትን ተዘከርትን ጸወታታት ዋንጫ ዓለም","content":"እንግሊዝ ኣብ 1966 ንምዕራብ ጀርመን ብምስዓር ዋንጫ ዝዓተረትሉ፣ ብራዚል ኣብ 2014 ኣብ ሃገራ ብጀርመን ርእሳ ዘድነነትሉን ክጥቀስ ይክኣል’ዩ። እንተዀነ እተን 10 ዝበለጻን ተዘከርትን ጸወታታት ዋንጫ ዓለም ኣየኖት ይዀና? ጋሪ ሊንከር፡ ኣላን ሸረርን ሚካህ ሪቻርድን ኣብዚ ዛዕባ’ዚ ዘትዮም ዝሃብዎ ደረጃታት እዚ ዝስዕብ’ዩ። [እቲ ኣብ ሓጹር ዘሎ ሪቻርስን ሸረርን ዝሃብዎ ደረጃታት’ዩ]። ኣብ 1990 ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ጋሪ ሊንከር ሃገራዊት ጋንታኡ ኣንጻር ካሜሮን ኣብ እተካይዶ ዝነበረት ጸወታ ንስክላ’ዩ ካብ ስዕረት ኣናጊፍዋ። ካሜሮን 2 ብ ሓደ እናመርሑ እንከለዉ ጋሪ ሊንከር ኣብ መበል 83 ደቒቕ ንዝተረኸበት ፍጹም ቅላዕ ናብ ሸቶ ስለ ዝቐየረ ናብ ተወሳኺ ግዜ ኣምሪሖም። ኣብ ተወሳኺ ግዜ’ውን ደጊሙ ሸቶ ስለ ዘመዝገበ እንግሊዝ ንፈለማ እዋን ካብ ዓዳ ወጻኢ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ክትሓልፍ ክኢላ። ሊንከር፡  እቲ ጸወታ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ ነይሩ፤ ካሜሮን’ውን ኣብ ኣዝዩ ጽቡቕ ኣቃውማ’ዮም ነይሮም። እታ ብሰር ኣምፍራምስይ ትስልጥን ዝነበረት ጋንታ እንግሊዝ ኣብ ተወሳኺ ግዜ ንምዕራብ ጀርመን 4 ን 2 ብምስዓር ኣብ ታሪኻ ንመጀመርታ ግዜ ንዋንጫ ዓለም ክትዕወተላ ክኢላ። ብድሕሪኡ፡ ክሳብ ሕጂ ኣይተዓወተትላን። ምዕራብ ጀርመን ሰዓት ኣብ ምዝዛሙ ማዕረ እትገብሮም ሸቶ ብምቍጻሮም’ዮም ጸወታ ናብ ተወሳኺ ግዜ ኣምሪሑ። ሰር ጆፍ ሁርሰት ሃትሪክ [ሰለስተ ሸቶታት] ብምምዝጋቡ ግን ንእንግሊዛውያን ኣፍ ልቦም ክነፍሑ ገይርዎም። ሰር ጆፍ ሁርሰት ክሳብ ሎሚ እቲ እንኰ ኣብ መዛዘሚ ጸወታ ዋንጫ ዓለም ኣብ ሓደ ጸወታ ሰለስተ ሸቶታተ ዘመዝገበ ተጻዋታይ’ዩ። ሽረር፡ እዚ ጸወታ እዚ ንዝዀነ እንግሊዛዊ እቲ ዝበለጸ ጸወታ’ዩ። ሽረር፡  ኣዝዩ ጽቡቕ ጸወታ’ዩ ነይሩ፡ ኣብቲ ጸወታ ክልተ ፍጹም ቅላዓት ኣመዝጊበ፣ እታ ካልኣይቲ ዘመዝገብክዋ ጸቅጢ ዝብዝሓ’ያ ነይራ። [ኣርጀንቲና ብፍጹም ቅላዕ 4 ን 3 ስዒራ] [ሪቻርድስ 8፤ ሽረር 6] ሊንከር፡ እዛ ጸወታ እዚኣ ተዘካሪት ካብ ዝገብራ ሓደ ሶል ካምፕበል ዘመዝገባ ሽቶ ግን ከኣ ኣይኣተወትን ዝተባህለትሉ’ዩ። ኣብቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኣፍሪቃ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም፡ ሃገራዊት ጋንታ ጋና ኣብቲ ኣብ ኣህጉራ ዝካየድ ዝነበረ ጸወታ ጽቡቕ ገስጋስ’ያ ኣርእያ። ኣብቲ ምስ ኡራጋይ ዘካየደቶ ጸወታ ልዊስ ስዋረዝ ካብ መስመር ሕንጻጽ ብኢዱ ዘውጽኣ ሽቶ ክትከውን ትኽእል ዝነበረ ኵዕሶኸ መን ይርስዓ? ልዊስ ስዋረዝ ብቐጥታ ካብ ሜዳ ክስጎግ እንከሎ፡ ንሃገራዊት ጋንታ ጋና ፍጹም ቅላዕ ተዋሂቡ። ጸወታ ተወዲኡ ስለ ዝነበረ፡ ጋና እንተ ኣእትያታ ብቐጥታ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ክትሓልፍ ዘኽእል ዕድል ተፈጥረላ። እዚ እንድሕር ኰይኑ እታ ናይ መጀመርታ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዝበጽሐት ኣፍሪቃዊት ሃገር ክትከውን ዘኽእላ’ዩ። ኣሶማህያ ግያን ግን ከመዝግባ ኣይክኣለን። ናብ ተወሳኺ ግዜ ኣምሪሐን ኡራጋየ ንጋና ብፍጹም ቅላዕ 4 ን 2 ብምስዓር ድሕሪ 1970 ንፈለማ እዋን ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፋ። [ኡራጋይ ብፍጹም ቅላዕ 4 ን 2 ተዓዊታ [ሪቻርድስ 6 ፡ ሽረር 10] ሪቻርድስ፡  እቲ ውጽኢት ንጋናውያን ጽቡቕ ኣይነበረን፣ እንተዀነ እቲ ጸወታ ተዘካሪ ኮይኑ ክነብር እዩ። ሽረር፡ በዛ ጸወታ እዚኣ ልዊስ ስዋረዝ ንዘልኣለም ክዝከር ክነብር’ዩ። እታ ብኢዱ ዘውጽኣ ሸቶ፡ ቀይሕ ምስ ወጽኦ ዘርኣዩ ሕርቃንን ጊያን ፍጹም ቅላዕ ምስ ስሓተ ናብ መቐየሪ ክዳን እናኸደ ዘርኣዮ ታሓጓስን ወትሩ ክዝከር’ዩ። ኢጣልያን ምዕራብ ጀርመንን ኣብ 1970 ጸወታ ፍርቂ ፍጻመ ኣብ ዘካይዳሉ ዝነበራ፡ ኢጣልያ ኣብ መበል ሻሙናይ ደቒቕ ሸቶ ብምምዝጋብ ክትመርሕ ጀሚራ። ጀርመናዊ ተኸላኻላይ ካርል ሀይንዝ ኣብ መበል 90 ደቂቕ ማዕረ እትገብሮም ሸቶ ስለ ዘመዝገበ፡ ናብ ተወሳኺ ግዜ ኣምሪሖም። ገርድ ሙለር ኣብ ተወሳኺ ግዜ ክልተ ግዜ’ኳ ከመዝግብ እንተኸኣለ፡ ኢጣልያ ድሒራ ብዘመዝገበቶ ሰለስተ ተወሰኽቲ ሸቶታት ተሓጊዛ 4 ን 3 ብምስዓር ናብ ፍጻመ ሰጊራ። ብብራዚል ስለዝተሰዓረት ግን ዋንጫ ካብ ምውሳድ በዅራ። ሊንከር፡  ኣዝዩ ጽቡቕ ጸወታ ፍርቂ ፍጻመ’ዩ ነይሩ። ኣጥቃዕቲ ኢጣልያ ተዀሊዖም ዝወጽእሉ ጸወታ ነይሩ፤ እንተዀነ ብቕዓቶም ነታ ኣብ ፍጻመ ዝተጋጠምዋ ብራዚል ዝብድህ ኣይነበረን። [ምዕራብ ጀርመን ብፍጹም ቅላዕ 5 ን 4 ተዓዊታ] [ሪቻርድስ 4፡ ሽረር 8] ተጻዋታይ ምዕራብ ጀርመን ፔሪ ሊት ባርሰኪ ቀዳማይቲ ሽቶ’ኳ እንተኣመዝገበ፡ ፈረንሳ ቀልጢፎም ማዕረ እትገብሮም ሸቶ ኣመዝጊቦም። ፈረንሳውያን ንጸወታ ናብ ረብሓኦም ቀይሮም 3 ን 1 ክመርሑ ክኢሎም’ኳ እንተነበሩ፡ ጸወታ ኣብ ምውድኡ ምዕራብ ጀርመን ክልተ ሸቶታት ስለ ዝረኸቡ ጸወታ ናብ ፍጹም ቅላዕ ኣምሪሑ። ምዕራብ ጀርመን ብፍጹም ቅላዕ 5 ን4 ብምስዓር ናብ ፍጻመ ሓሊፎም፤ ኣብ ፍጻመ ብኢጣልያ ስለ ዝተሰዓሩ ግን ሓጐሶም ምሉእ ክኸውን ኣይከኣለን። ሊንከር፡ እዚ ጸወታ’ዚ ተዘካሪ ካብ ዝገብሮ እቲ ብቝዕ ሓላዊ ልዳት ምዕራብ ጀርመን ሃራልድ ስችማቸል፡ ኣብ ልዕሊ ፈረንሳዊ ፖትሪክ ባቲስቶን ዝፈጸሞ በደል ብቐይሕ ካርድ ዘስጉግ ክንሱ ዳኛ ዕሽሽ ምባሉ’ዩ። ኣብ 1970 ዝተኻየደ መዛዘሚ ግጥም ዋንጫ ዓለም፡ ብራዚል ኣብ ታሪኻ ንሳልሳይ ግዜ ዋንጫ ዓለም ዝዓተረትሉ እዋን’ዩ ነይሩ። ብራዚል ኣብ ልዕሊ ኢጣልያ  4 ብ 1 ኣብ ዝሰዓረትሉ ብራዚላዊ ካርሎስ ኣልበርቲ ዘመዝገባ ራብዓይቲ ሸቶ እታ ዝበለጸት ሸቶ ናይ ዋንጫ ዓለም እናተባህለት’ያ ትግለጽ። ሊንከር፡  ኣብ 1970 ዝነበረት ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ኣዘዮም ብሉጻትን ብብቕዓቶም ኣዝዮም ዘገርሙ ተጻወትቲ’ያ ሓቊፋ ነይራ። ኢጣልያን ንብራዚል 3 ብ 2 ብምስዓር ኣብ ካልኣይ ዙር ናይ ምድብ ጸወታ ንብራዚል ዝገለፈትሉ ጸወታ ኣዝዩ ሰሓቢ ጸወታ’ዩ ነይሩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ፓውሎ ሮሲ ሰለስት ሸቶታት ኣብ ልዕሊ ብራዚል ከምዝግብ ብምኽኣሉ ዝያዳ ክደምቕ ክኢሉ’ዩ። ንብራዚል ብምስዓር ናብ ፍርቂ ፍጻመ ብምሕላፍ ኣብ መወዳእታኡ’ውን ነታ ዋንጫ ክትዕወተላ ክኢላ’ያ። ሽረር፡  ሮሲ ሰለስት ሸቶታት ኣብ ልዕሊ ብራዚል ዘመዝገበሉ ጸወታ፡ እቲ ካብ ተዘክሮይ ዘይሃስስ ጸወታታት ዋንጫ ዓለም’ዩ። ብራዚል ኣብ ግዛእ ሜዳኦም ኣብ ቅድሚ ደገፍቶም ኣብ 2014 ኣብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ብጀርመን ዘጋጠሞም ስዕረት እቲ ኣብ ዋንጫ ዓለም ካብ ዝተራኣዩ ጸወታታት እቲ ኣዝዩ ተዘካሪ’ዩ። ጀርመን ጸወታ ምስ ተጀመረ ኣብ ውሽጢ 29 ደቓይቕ ንብራዚል ሓሙሽተ ሸቶታት ከተመዝግበላ ትኽእል’ያ ኢሉ ዝሓሰበ ብፍጹም ኣይነበረን። እቲ ጸወታ ብራዚል ኣብ ሜዳኣ ክትስዓር ድሕሪ 39 ዓመታት ናይ መጀመርታ ኰይኑ፡ ኣብ ዋንጫ ዓለም ዘጓነፎም ዝኸፍአ ስዕረት’ውን እዩ። ሪቻርድስ፡ ብራዚል ብኽንድዚ ፍልልይ ሸቶ ኣይኰነን፡ ኣብቲ ጸወታ ብጠቕላላ ሸሞንተ ሸቶታት ክምዝገብ’ዩ ኢሉ’ውን ዝገመተ ኣይነበረን። ሽረር፡ እቲ ጸወታ እናተዓዘብና’ውን ነቲ ውጽኢት ክንኣምኖ ኣይከኣልናን። ሊንከር፡ ንዅሉ ዘደንዘዘ ጸወታ’ዩ ነይሩ። ጸወታ ምስ ተዛዘመ ብምልእታ ብራዚል ኣብ ሓዘን ከም ዝኣተወት ርዱእ’ዩ ነይሩ።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cer4evxr2wpo"} {"headline":"ዋንጫ ዓለም 2022፡ ክትዕወት ዝልዓለ ግምት ዝውሃባ ሃገር መን ትኸውን?","content":"ንዋንጫ ዓለም ዝበዝሐ ግዜ ዝተዓወተትሉ ብራዚል፡ ነታ ዋንጫ ቅድሚ ዕስራ ዓመት ኣብ 2002 ምስ ዓተረታ፡ ኣብ 2006፡ 2010፡ 2014፡ ከምኡ'ውን ኣብ 2018 ክቐድዋ ኣይክኣለን። ሎሚ ዓመት ግን ነዛ ዋንጫ ክትዕወተላ ዝልዓለ ግምት ተዋሂብዋ ኣሎ። እቲ ቐመር ክኢላታት ብዘዳለውዎ ሰብ ዝሰርሖ ብልሒን [ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ] ካልእን ዝተኻየደ ኰይኑ፡ እዛ ደቡብ ኣሜሪካዊት ሃገር ነዛ ዋንጫ ንሻዱሻይ ግዜ ክትዕወተላ ዝለዓለ ትጽቢት ይግበረላ። እቲ ነዛ ዋንጫ መን ክትዕወተላ ትኽእል ዝብል ግምት፡ ኣቋመርቲ ትካላትን ዓማዊልን ዝሃብዎ ግምት ብምእካብ’ውን ዝተሰነየ’ዩ። ብዘይካ’ዚ እተን ሃገራውያን ጋንታታት ኣብ ዋንጫ ዓለም ዘለወን ሕሉፍ ታሪኽን ሒዘንኦ ዘለዋ ህሉው ብቕዓት’ውን ኣብ ግምት ዘእተወ ኰይኑ፡ ዘለወኦ ምድብ፡ ካብ ምድበን ምስ ሓለፋ ክትረኽብን ትኽእል ጋንታን ካልእን ኣብ ግምት ብምእታው’ዩ ንብራዚል ዝልዓለ ግምት ክውሃባ ክኢሉ ዘሎ። ብራዚል ካብዘን ኩለን ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝሳተፋ ሃገራውያን ጋንታታ ነዛ ዋንጫ ክትዕወተላ ዘሎ ትኽእሎ 15.8 ሚኢታዊት እዩ፡ ብዘይካ’ዚ ብራዚል እታ እንኮ ናብ ናይ ፍጻመ ጸወታ ክትሓልፍ ትኽእል’ያ ተባሂላ ልዕሊ 25 ሚኢታዊት ግምት ዝተዋህባ ሃገራዊት ጋንታ’ያ። ንዓኣ ተኸቲላ ተቐሚጣ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና 12.6 ሚኢታዊት ግምት ብምርካብ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ'ላ። ኣብ ምድብ ሰለስተ ምስ ስዑድ ዓረብ፡ ሜክሲኮን ፖላንድን ተመዲባ ዘላ ኣርጂንቲና፡ ብልዮነል ሜሲ እናተቐለሰት ናብ ፍጻመ ክትበጽሕ ናይ 21.1 ሚታዊት ግምት ተዋሂብዋ'ሎ። ንብራዚልን ኣርጀንቲናን ተኸቲለን ፈረንሳ ብ12.2 ሚኢታዊት፡ ስጳኛ ብ9.1 ሚኢታዊት ዓዲ እንግሊዝ ኸኣ ብ 8.7 ሚኢታዊት ነዛ ዋንጫ ክዕወታላ ከምዝኽእላ'ዩ እቲ ቐመር ዝእምት። ኣብ 2018 ናብ ፍጻመ ዝበጽሐት ሃገራዊት ጋንታ ክሮኦሽያ፡ ነቲ ናይ 2018 ብቕዓታ ኣይክትደግሞን’ያ ተባሂላ ኣላ። ብ1.8 ሚኢታዊት ኸኣ ኣብ መበል 11 ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ። ዓዲ-እንግሊዝ፡ ድሕሪ ዋንጫ ዓለም 2018 ንመጀመርታ ግዜ እያ ብኽልተ ሃገራት ትውከል ዘላ፤ ብዓዲ እንግሊዝን ብዊልስን። ክልቲኤን ኸኣ ምስ ሃገራውያን ጋንታታት ኣሜሪካን ኢራንን ኣብ ሓደ ምድብ ክልተ’የን ተመዲበን ዘለዋ። ዓዲ እንግሊዝ ካብ ምድባ ክትሓለፍ 60 ሚኢታዊት ግምት ክውሃባ እንከሎ፡ ነታ ዋንጫ መን ትወስዳ ኣብ ዝብል ግን ብ8.7 ሚኢታዊት ኣብ ሓሙሻይ’ያ ተሰሪዓ ዘላ። ዓዲ እንግሊዝ ንምድብ ክልተ መሪሓቶ ከምእትሓልፍ ምሉእ ግምት ክውሃባ እንከሎ፡ ኢራን ኸኣ ካብዚ ምድብ ከምእትግለፍ ተገሚታ ኣላ። ኣሜሪካ'ዶ ዌልስ ካብ ምድበን ይሓልፋ ኣብ ዝብል ግን፡ ኣሜሪካ 45 ሚኢታዊት ዌልስ 41 መኢታዊት ግምት’ዩ ተዋሂብወን ዘሎ።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2d7pv8m0jo"} {"headline":"ኢጣልያ፡ ብመጥቃዕቲ ካራ ሓደ ሰብ ሞይቱ ተጻዋታይ ኣርሰናል ተወጊኡ","content":"ኣብ ሚላኖ ኢጣልያ፡ ኣብ ሓደ ሱፐር ማርኬት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካራ፡ ሓደ ሰብ ክቕተል እንከሎ ኣባል እንግሊዛዊት ክለብ ኣርሰናል ዝርከቦም ሓሙሽተ ሰባት ከኣ ብኻራ ከምዝተወግኡ ፖሊስ እታ ሃገር ገሊጹ። ማዕከናት ዜና ኢጣልያ ከምዝሓበራኦ፡ ሓደ ሰብ ናብቲ ዕሙር ሱፐር ማርኬት ኣትዮ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፈጸመሉ፡ ወዲ 30 ዓመት ተቐባሊ ሕሳብ እቲ ትካል በቲ መጥቃዕቲ ከምዝሞተ ገሊጸን። ካብቶም ብመጥቃዕቲ ካራ ዝተሃረሙ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብልቓሕ ምስ ጋንታ ሞንዛ ዝጻወት ዘሎ ኣባል ኣርሰናል ፓብሎ ማሪ ይርከቦም። ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ወዲ 46 ዓመት ሰብኣይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ከምዘሎ ፖሊስ ሓቢሩ ኣሎ። ፖሊስ ብተወሳኺ፡ እቲ መጥቃዕቲ ምስ ዝዀነ ተልእኾ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ምትእስሳር ከምዘይብሉ ገሊጹ ኣሎ። መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀሰብ ጸገም ኣእምሮ ከምዘለዎን፡ ነቲ ካራ ካብ ከብሒ እቲ ድኳን ኣልዒሉ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሞን ዝወጽኡ ጸብጻባት ይሕብሩ። ብሰንኪ እቲ ትማሊ ከባቢ ሰዓት ሽዱሽተን ፈረቓን ድሕሪ ቐትሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ብዙሕ ሰብ ከምዝርዓደን፡ ሰብ ካብቲ ሱፐር ማርኬት ንምውጻእ ከምዝተጸቃቐጠን መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም። እቲ ሰብ፡ በቶም ኣብቲ ሱፐር ማርኬት ዝነበሩ ሰባት ተታሒዙ ናብ ፖሊስ ከምዝተረከበ’ውን ፖሊስ ገሊጹ። ወዲ 29 ዓመት ኣባል ኣርሰናል ስጳኛዊ ተኸላኻላይ ፓብሎ ማሪ፡ ማህረምቱ ኣብ ሕቘኡ ከምዝዀነን እንተዀነ ኣዝዩ ዘሻቕል ከምዘይኰነ’ዩ ተገሊጹ ዘሎ። ወኪል እቲ ተጻዋታይ ኣርቱሮ ካናለስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለ፡ ማህረምቲ ፓብሎ ማሪ ዋላ እኳ ዕምቈት እንተሃለዎ ኣብ ውሽጣዊ ኣካላቱ ዝዀነ ጉድኣት ከምዘይበጽሐ ሓቢሩ። ኣካያዲ ስራሕ ናይታ ሕጂ ማሪ ብልቓሕ ዝጻወተላ ዘሎ ክለብ ሞንዛ ኣድሪያኖ ጋልያኒ ከምዝገለጾ፡ ማሪ ኣብ እዋን እቲ መጥቃዕቲ ምስ በዓልቲ ቤቱን ንእሽቶ ወዱን ካብቲ ሱፐር ማርኬት ይሽምቱ ከምዝነበሩ ኣብሪሁ። ጋልያኒ ከምዝበሎ፡ “ንወዱ ኣብ ዓረብያ ሰቒሉ እናደፍአ፡ በዓልቲ ቤቱ ኸኣ ኣብ ጐድኑ ነይራ፣ ዝዀነ ነገር ኣየስተብሃለን፡ ኣብ ሕቘኡ ምስ ተሃረመ ቁሊሕ እንተበለ ግን ብኻራ ከምዝተሃረመ ከስተብህል ክኢሉ፡” ኢሉ። ጋልያኒ ወሲኹ፡ \"እቲ መጥቃዕቲ ዝፍጽም ዝነበረ ሰብ ንማሪ ሰጊሩ ንሓደ ሰብ ኣብ ጐረሮኡ ብኻራ ክሃርሞ እንከሎ ማሪ ብዓይኑ ርእዩ፣ ኵሉ ነገር’ዩ ተዓዚብዎ ኣዝዩ ዘሰንብድ ትርኢት’ዩ ነይሩ” ይብል። ፓብሎ ማሪ፡ ካብ ብራዚላዊት ጋንታ ፍላሚንጎ ኣብ ጥሪ 2020’ዩ ናብ ኣርሰናል ተሰጋጊሩ። ምስ ኣርሴናል 19 ግዜ ድሕሪ ምስላፉ ብልቓሕ ናብ ኢጣልያዊት ክለብ ሞንዛ ተሰጋጊሩ። ኣሰልጣኒ ኣርሰናል ሚካኤል ኣርቴታ ንማህረምቲ ፓብሎ ማሪ ኣመልኪቱ፡ “ብዛዕባ እቲ ማህረምቲ ሓበሬታ በጺሑና፣ ዳይረክተር ቴክኒክ ጋንታና ምስ ስድራ ማሪ ተዘራሪቡ ኣሎ፣ ማሪ ኣብ ሆስፒታል’ዩ ዘሎ እንተዀነ ኣዝዩ ዘሻቕል ኣይኮነን” ኢሉ።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cqvwy48g7gxo"} {"headline":"ክርስትያኖ ሮናልዶ- ብማንችስተር “ከምዝተጠለምኩ” ይስመዐኒ'ሎ","content":"ክርስትያኖ ሮናልዶ ብጋንታ ማንችስተር ዩናይትድ “ከምዝተጠለመ” ከምዝስመዖን፡ ካብቲ ክለብ ክወጽእ ጸቕጢ ይግበረሉ ከምዘሎን ተዛሪቡ። ሮናልዶ ከምትጽቢቱ ካብ ዩናይትድ ወጺኡ ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ ናብ እትጻወት ጋንታ ናይ ምስግጋር ዕድል ብዘይምርካቡ፡ ዝተረፈ ግዚኡ ኣብ ኦልድትራፎርድ ብምጽዋት ከምዘሕልፎ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ቃል ኣትዩ ነይሩ። እቲ ፖርቱጋላዊ ኮኸብ፡ ኣብ ቶክቲቪ ምስ ፒርስ ሞርጋን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕተት እዩ ነቲ በጺሕኒ ዝበሎ ጸቕጢ ተዛሪቡ። ማንችስተር ዩናይትድ ቅረታ እቲ ተጻዋታይ ኣመልኪታ ምላሽ ክትህብ ሕቶ ቀሪቡላ ኣሎ። ብሰንበት ንጋንታ ፉልሃም 2 ብ 1 ዝሰዓረት ጋንታ ማንቸስተር፡ ብኣሰልጣኒ ተን ሃግ እናተመርሐት፡ ኣብ ደረጃ ፕረሚየር ሊግ እንግሊዝ ሓምሻይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ። ኣመራርሓ እታ ጋንታ ክለቅቕ ጸቕጢ ይፈጥሩሉ እንተሃልዮም ዝተሓተተ ሮናልዶ “እወ፡ እቲ ኣሰልጣኒ [ኤሪክ ተን ሃግ] ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብቲ ጋንታ ብዝርከቡ ካልኦት ክልተ ሰለስተ ሰባት እውን፤ ከምዝተጠለምኩ እዩ ዝስመዐኒ፡” ኢሉ። ብተወሳኺ ካብ ላዕለዎት መሪሕነት ካብታ ጋንታ ከውጽእዎ ይፍትኑ እንተሃልዮም ንዝቐረበሉ ሕቶ ድማ “ኣይግድሰንን፤ ሰባት ነቲ ሓቂ ክሰምዑ ኣለዎም። “እወ፤ ከምዝተጠለምኩን ገለ ሰባት ኣብዚ ክጸንሕ ከምዘይደልዩንን ይስመዐኒ፤ ሎምዘበን ጥራሕ ዘይኮነስ ዝሓለፈ ዓመት እውን” ኢሉ። ሮናልዶ ድሕሪ እቲ ኣብ 6 ሕዳር ሓለቓ እታ ጋንታ ኮይኑ ምስ ኣስቶንቪላ ኣብ ዘካየድዎ ጸወታ ዘጋጠሞም ናይ 3 ን 1 ስዕረት፡ ብዘይተፈለጠ ሕማም ኣይተጻወተን። ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጋንትኡ ምስ ቶተንሃም ኣብ ዘካየደቶ ግጥም፡ ተቐያሪ ኮይኑ ንምእታው ፍቓደኛ ብዘይ ምዃኑ፡ ኣብቲ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ምስ ቼልሲ ዝነበረ ጸወታ ፕሪምየር ሊግ ብኣሰልጣኒ ተን ሃግ ካብቲ ግጥም ወጻኢ ኮይኑ። “ናዓይ ኣኽብሮት ስለዘየርእየኒ ኣነ እውን ንዕኡ ክብሪ የብለይን” ኢሉ ኣብቲ ቃለ መሕተት። “እንተዘይኣኽቢርካኒ ኣይከኽበረካን እየ።” ሮናልዶ ብዛዕባ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዘጋጠመ ሞት ወዱን ድሕሪኡ ደገፍቲ ሊቨርፑል ኣብ ኣንፊልድ ከጸናንዕዎ ዝፈተኑሉ መንገድን ልቡ ከምዝተንከፎ እውን ነቲ ጋዜጠኛ ገሊጹሉ። ነታ ጋንታ ጽቡቕ ኣበርክቶ ንምግባር ከምዝተመለሰ ዝገልጽ እዚ ፖርቱጋላዊ፡ እንተኾነ ኣብታ ጋንታ ምምሕያሽ ከምዘይጸነሖ ተዛሪቡ። “ኣሌክስ ፈርጉሰን [ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ነበር]፡ ካብታ ጋንታ ካብ ዝወጽእ፡ ኣብታ ክለብ ዝኾነ ምዕባለ ኣይረአኹን። ዝተለወጠ ነገር የለን።” ሮናልዶ ነቲ ብወዲ ጋንትኡ ነበር ዋይን ሩኒ ንዝቐረበሉ ነቐፌታ'ውን ምላሽ ሂቡ። “ንምንታይ ብኸቢድ ከምዝወቐሰኒ ኣይፈልጥን፤ ምናልባት ንሱ ጸወታ ስለዘቋረጸን ኣነ ግን ክሳብ ሕዚ ብጽቡቕ ደረጃ ይጻወት ስለዘለኹን ክኸውን ይኽእል።”","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cq57l4wx2vno"} {"headline":"ኤርትራዊ ዳዊት የማነ ዕዉት ዙር ሰርብያ ኮይኑ","content":"ተቐዳዳማይ ጀርመናዊት ጋንታ 'ባይክ አይድ' ኤርትራዊ ዳዊት የማነ፡ ዕዉት ብጫ ማልያ እቲ ውድድር ኮይኑ። ንሱ ነታ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ዝተረከባ ብጫ ማልያ እቲ ውድድር፡ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ መዛዘሚ ውድድር'ውን ስለዝዓቐባ እዩ ዕውት ዙር ሰርብያ ክኸውን በቒዑ። ዙር ሰርብያ ሎሚ ዓመት ንመበል 62 ግዚኡ ክካይደ እንከሎ፡ ናይ 2.2 መዐቐኒ ዘለዎ ምዃኑ ይፍለጥ። እቲ ነዊሕ ዓመታት ዘቁጸረ መድረኽ ቅድድም ብሽክለታ ኣርባዕተ ተረርቲ መድረኻት ኣለዎ። ኣብ 18 ጋንታታት ዝተጠርነፉ 108 ተጻወትቲ ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፉ ኮይኖም፡ ቻምፕዮን ኤርትራ 2021 ዳዊት የማነ ነዚ ውድድር ብምዕዋት፡ ናይ መጀመርታ ኣፍሪቃዊ ወናኒ ብጫ ማልያ እቲ ውድድር ክኸውን ክኢሉ ኣሎ። ዳዊት የማነ፡ ነታ ብዓርቢ ካብ ካካክ ናብ ፕሪፖላጀ ዝተኻየደትን ተረርቲ ዓቐበታት ዝነበራን 153.3 ኪሎሜተር ዝሸፈነት መድረኽ ቀዳማይ ኮይኑ ብምዝዛም'ዩ ብጫ ማልያ ካብ ጣልያናዊ ካርታ ኢልያ ተረቢብዋ። ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ራብዓይን ናይ መወዳእታን መድረኽ፡ ካብ ፕሪፖላጀ ናብ ካካክ ናይ 156.5 ኪሎሜተር ብምዕዋቱ ነታ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ዝወነና ብጫ ማልያ ክዕቕባ ስለዝኸኣለ'ዩ ነዚ ዓወት ኣመዝጊቡ። ንናይ ነጥቢ ማልያ ክሮሽያዊ ቪክቶር ብ66 ነጥቢ ክዕወተላ እንከሎ፡ ዳዊት የማነ ኣብ ናይ ነጥቢ ማልያ'ውን ብ32 ነጥቢ ኣብ ሳልሳይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ። ብሪጣንያዊ ክሮስ ኣርቸ ብ25 ነጥቢ ኣንበሳ ዓቐበት ክኸውን እንከሎ ዳዊት የማነ ብ18 ነጥቢ ካልኣይ ኮይኑ ውድድሩ ወዲኡ።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c51rd0g3176o"} {"headline":"ኤርትራዊ-ስዊድናዊ ኣለክሳንደር ኢሳቕ ብልዕሊ 70 ሚልዮን ዶላር ናብ ኒውካስል ክሰጋገር'ዩ","content":"ኣጥቃዓይ ስጳኛዊት ክለብ ሪያል ሶሲዳድ ዝኾነ ኤርትራዊ-ስዊድናዊ ኣለክሳንደር ኢሳቕ ብልዕሊ 71 ሚልዮን ዶላር ናብ እንግሊዛዊት ክለብ ኒውካስል ክሰጋገር ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ። እቲ ወዲ 22 ዓመት ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ስዊድን ናይ ኒውካስል ዩናይትድ ('ማግፒስ') ናይ ምጥቃዕ ዓቕሚ ከሐይሎ ትጽቢት ይግበረሉ። ተጻዋታይ ጀርመናዊት ክለብ ቦሩሽያ ዶርትሞንድ: እንከሎ ኣብ ዓይኒ ዝኣተወ ኣለክሳንደር ኢሳቕ፡ ንሶሲዳድ ኣብ ዝተጻወተለን 132 ግጥማት 44 ሸቶታት ምምዝጋቡ ኣድናቖት ኣጥርዩ ይርከብ። ኒውካስል ክሳብ ሕጂ ንሓደ ተጻዋታይ ዝኸፈለቶ ዝለዓለ መጠን ገንዘብ 40 ሚልዮን ፖውንድ ምዃኑ ይፍለጥ። ንኣለክሳንደርን ካልኦት ተጻወቲን ብምግዛእ፡ ስዑዳውያን ወነንቲ ናይታ ክለብ ዘለዎም ጥሙሕ ዘርኢ'ዩ ክብሉ ተንተንቲ ኩዕሶ እግሪ ፕሪሜርሊግ ዓዲ-ኣንግሊዝ ይገልጹ ኣለዉ። እቲ ምስ ኤርትራ \"ጥቡቕ ምትእስሳር\" ከምዘለዎ ዝንገረሉ ኣለክሳንደር፡ ብኢጣልያዊት ጋዜጣ 'ቱቶ ስፓርት' ንትሕቲ 21 ዓመት ኣብ ዝወሃብ ሽልማት 'ወርቃዊ መንእሰይ 2018' ምስ ካልኦት 100 መንእሰያት ተጻወትቲ ተሓጽዩ ምንባሩ ይዝከር። እቲ ገና ኣብ ብርኩ ዘስተንፍስ ዘሎ መንእሰይ ኣብ ስዊድናዊት ሃገራዊት ጋንታ ነቲ ግኑን ተጻዋታይ ናይታ ጋንታ ነበር ዝላታን ኢብራሂሞቪች ክትክኦ ትጽቢት ዝግበረሉ'ዩ። ኣብ 12 ጥሪ 2017 ንሃገራዊት ጋንታኡ ዘመዝገባ ሽቶ ኣብ መበል 17 ዓመቱን 113 መዓልታትን ዕድሚኡ ዝነበረት ኮይና፡ ኣብታ ሃገር ን105 ዓመት ተታሒዙ ዝነበረ ክብረ ወሰን ብምስባር፡ ንሃገራዊት ጋንታ ስዊድን ዝነኣሰ ሾቶ ዘመዝገበ ተጻዋታይ ክኸውን በቒዑ። ካብ ቦርሽያ ዶርትሙንድ፡ ናብ ዊለም ቱ ብልቓሕ ተሰጋጊሩ ምስታ ጋንታ ኣብ ዝገበሮ ጸወታ ናይ ሸቶ ምምዝጋብ ክእለቱ ክብ ብምባል ኣብ 16 ጸወታታት 13 ሸቶታት ከመዝግብ ዝኸኣለ ኣሌክሳደር ኢሳቕ፡ ብቕዓቱ ንዓበይቲ ጋንታታት ክስሕብ ክኢሉ። ኣለክሳንደር ኣብ ኩዕሶ እግሪ ዓለም እናደመቐ ምምጽኡ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ብሓበን ዝዛረብሉ ውልቀሰብ ክኸውን ኣኽኢልዎ'ዩ። ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ፡ ስድራቤቱ ብሰንኪ'ቲ ኲናት ኣብ 1980ታት ናብ ስደት ድሕሪ ምምርሖም፡ ኣለክሳንደር ኣብ ስዊድን ከምዝተወልደ ይዝረብ።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c517yv8e4j7o"} {"headline":"ኣለክሳንደር ኢሳቕ ምስ እንግሊዛዊት ክለብ ኒውካስል ውዕል ፈሪሙ","content":"ኤርትራዊ-ስዊድናዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኣለክሳንደር ኢሳቕ፡ ካብ ስጳኛዊት ክለብ ሪያል ሶሲዳድ ናብ እንግሊዛዊት ክለብ ኒውካስል ዩናይትድ ብምስግጋር ነዊሕ ውዕል ከምዝፈረመ ተፈሊጡ። ኒውካስል ነቲ ተጻዋታይ ንምግዛእ ኣስታት 60 ሚልዮን ፓውንድ (70.8 ሚልዮን ዶላር) ከምዝወድኣላ ጸብጻባት ይገልጹ። ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ስዊድን ዝኾነ ኣልክሳንደር፡ ኣብዚ ክረምቲ ኒውካስል ዝገዝኣቶ ራብዓይ ተጻዋታይ ኮይኑ'ሎ። እቲ ወዲ 22 ኣጥቃዓይ፡ ኣብ ሶሲዳድ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ኣብ ዝተጻወተለን 132 ግጥማት 44 ሸቶታት ምምዝጋቡ ይፍለጥ። ምስ ሃገራዊት ጋንትኡ'ውን ኣብ 37 ግጥማት ተሳቲፉ'ሎ። \"ኣዝዩ ዓቢ ውሳነ'ዩ ነይሩ ንዓይ፡ እንተኾነ ብሓቂ ዝተሓጎስኩሉ ውሳነ'ዩ\" ክብል ምስታ ሓዳሽ ጋንትኡ ውዕል ምፍራሙ ከምዘሐጎሶ ተዛሪቡ። \"ኩሉ ክጽንበራ ዝደሊ፡ ዘደንቑ ደገፍቲ ዘለዉዋ፡ ዓባይ ታሪኻዊት ክለብ ትመሰለኒ። [ደገፍታ] ናብዚ ክመጽእ ኣብ ምግባር ዓቢ ተራ ኣለዎም፣ ናይታ ክለብ ፕሮጀክት'ውን ኣነ ብሓቂ ዝኣምነሉ እዩ\"። \"ናብ ዝደለኻያ ክለብ ኣቲኻ ከመይ ከምዝጻወቱ ክትፈልጥ ኢኻ ትደሊ። ኒውካስል ሰሓቢ ጸወታ ዝጻወቱ ይመስለኒ፡ ኣካል ናቱ ድማ ክኸውን እደሊ\"። ኣለክሳንደር፡ ናይ ኒውካስል ዩናይትድ ('ማግፒስ') ናይ ምጥቃዕ ዓቕሚ ከሐይሎ ትጽቢት ይግበረሉ። ኣሰልጣኒ ክለብ ኒውካስል ኤዲ ሃው፡ \"ኣልክሳንደር ክጽንበረና ብምሕራዩ ኣዝዩ ኣሐጒሱኒ'ሎ። ኣብታ ጋንታ ዓቢ ኣበርክቶ ክገብር ዝኽእል ብሉጽ ተውህቦ ዘለዎ'ዩ። \"ብዓይኒ ቴክኒክ ኣዝዩ ንፉዕ፡ ዝተፈላለየ [እወታዊ ጎድኒታት] ዘለዎ ብምዃኑ ከሐይለና'ዩ። ዕድሚኡ'ውን ምስታ ክለብ ክዓቢ ዘኽእሎ'ዩ። \"ንኣለክሳንደር ናብ ኒውካስል ብምምጽኦም ንወነንቲ እታ ከለብን ናይ ምስግጋር ኮሚቲን ከመስግኖም እደሊ። ናባና ብምጽንባሩ ኩላትና ተሓጒስና ኣለና\" ኢሉ። እቲ ምስ ኤርትራ \"ጥቡቕ ምትእስሳር\" ከምዘለዎ ዝንገረሉ ኣለክሳንደር፡ ብኢጣልያዊት ጋዜጣ 'ቱቶ ስፓርት' ንትሕቲ 21 ዓመት ኣብ ዝወሃብ ሽልማት 'ወርቃዊ መንእሰይ 2018' ምስ ካልኦት 100 መንእሰያት ተጻወትቲ ተሓጽዩ ምንባሩ ይዝከር። እቲ ገና ኣብ ብርኩ ዘስተንፍስ ዘሎ መንእሰይ ኣብ ስዊድናዊት ሃገራዊት ጋንታ ነቲ ግኑን ተጻዋታይ ናይታ ጋንታ ነበር ዝላታን ኢብራሂሞቪች ክትክኦ ትጽቢት ዝግበረሉ'ዩ። ኣብ 12 ጥሪ 2017 ንሃገራዊት ጋንታኡ ዘመዝገባ ሽቶ ኣብ መበል 17 ዓመቱን 113 መዓልታትን ዕድሚኡ ዝነበረት ኮይና፡ ኣብታ ሃገር ን105 ዓመት ተታሒዙ ዝነበረ ክብረ ወሰን ብምስባር፡ ንሃገራዊት ጋንታ ስዊድን ዝነኣሰ ሾቶ ዘመዝገበ ተጻዋታይ ክኸውን በቒዑ። ካብ ቦርሽያ ዶርትሙንድ፡ ናብ ዊለም ቱ ብልቓሕ ተሰጋጊሩ ምስታ ጋንታ ኣብ ዝገበሮ ጸወታ ናይ ሸቶ ምምዝጋብ ክእለቱ ክብ ብምባል ኣብ 16 ጸወታታት 13 ሸቶታት ከመዝግብ ዝኸኣለ ኣሌክሳደር ኢሳቕ፡ ብቕዓቱ ንዓበይቲ ጋንታታት ክስሕብ ክኢሉ። ኣለክሳንደር ኣብ ኩዕሶ እግሪ ዓለም እናደመቐ ምምጽኡ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ብሓበን ዝዛረብሉ ውልቀሰብ ክኸውን ኣኽኢልዎ'ዩ። ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ፡ ስድራቤቱ ብሰንኪ'ቲ ኲናት ኣብ 1980ታት ናብ ስደት ድሕሪ ምምርሖም፡ ኣለክሳንደር ኣብ ስዊድን ከምዝተወልደ ይዝረብ።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cmm12g6ne59o"} {"headline":"ሞሮኮ ኣዲዳስ ዘዳለዎ ዲዛይን ማልያ ኣልጀርያ ክልወጥ ሓቲታ","content":"ሚኒስትሪ ባህሊ ሞሮኮ፡ ኣዲዳስ ኣብ ዲዛይን ሓድሽ ማልያ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣልጀርያ፡ ባህሊ ሞሮኮ ተጠቒሙ ክብል ከሲሱ። ትካል ኣዲዳስ፡ እቲ ዲዛይን ካብቲ ኣብ ኣልጀርያ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ መቾዋር ዝተበገሰ ከምዝኾነ ይገልጽ። ይኹን እምበር እቲ ጂኦሜትሪካዊ ሰማያዊ፣ ቲልን ብጫን ዲዛይን፡ ኣብ ባህልታት ሞሮኮ ልሙድ ዝኾነ 'ዜሊጅ' ዝበሃል ቅዲ ምዃኑ ጠበቓ እቲ ሚኒስቴር ሓቢሩ። እተን ጎረባብቲ ሃገራት፡ ምስ ጉዳይ ምዕራባዊ ሰሃራ ብዝተሓሓዝ ናይ ነዊሕ ታሪኽ ክትዕን ወጥሪን ኣለወን። ጠበቓ ሞራድ ኤላጆቲ፡ ንሚኒስትሪ ባህሊ ሞሮኮ ወኪሉ ንኣዲዳስ ሕጋዊ መጠንቀቕታ ከምዝሃበ ኣብ ፌስቡክ ጽሒፉ። እቲ ሓድሽ ዲዛይን ባህላዊ ምምዝማዝ እዩ ዝብል ኤላጆቲ፡ ናብ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ኩባንያ ካስፐር ሮርስተድ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ \"ባህላዊ ቅርስታት ሞሮኮ ሰሪቕካ ካብ ዓውዱ ወጻኢ ንምጥቃም ዝግበር ፈተነ\" ክብል ገሊጽዎ። ንሱ፡ እቲ ጀርመናዊ ትካል ስፖርታዊ ክዳውንቲ፡ ነቲ ዲዛይን ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ከልውጥ ጠሊቡ ኣሎ። ወሲኹ’ውን፡ ናይ 2022-2023 ዓመተ ውድድር ማልያ ኣልጀርያ \"ንመንነትን ታሪኽን ባህላዊ ባእታታት ዘሊገ ንኽጠፍእን ንኽጥምዝዝን ኣበርክቶ ዝገብር’ዩ\" ኢሉ። ቢቢሲ፡ ኣዲዳስ ኣብቲ ጉዳይ ዘለዎ ርእይቶ ክህብ ሕቶ ኣቕሪቡ’ሎ። ኣስታት 2000 ኪሎ ሜተር ዝቑመቱ ሓባራዊ ዶብ ኣልጀርያን ሞሮኮን፡ ካብ መግዛእቲ ፈረንሳ ናጽነት ካብ ዝረኽባ ንደሓር ምንጪ ወጥሪ ኮይኑ ጸኒሑ'ዩ። ኣብ 1963፡ ሞሮኮ ኣብ ኣልጀርያ ይግብኣኒ ትብሎ መሬት ክትሕዝ ዝገበረቶ ጻዕሪ ስዒቡ እተን ሃገራት ‘ሳንድ ዋር’ ብዝብል ዝጽዋዕ ኲናት ኣካይደን ነይረን። ድሓር ድማ ኣልጀርያ ነቲ ንምዕራባዊ ሳሃራ ካብ ሞሮኮ ነጻ ንምውጻእ ዝተገብረ ወፍሪ ግንባር ፖሊሳርዮ ድጋፍ ድሕሪ ምሃባ ናብቲ ካብ 1975-1991 ዝቐጸለ ኲናት ምዕራባዊ ሳሃራ 1975-1991 ኣምሪሐን። ብድሕሪኡ፡ ዕጡቓት እስላማውያን ኣብ ታሪኻዊት ከተማ ሞሮኮ ማራካሽ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ቦምባ ድሕሪ ምድርባዮም፡ እቲ ዶብ ኣብ 1994 ብጸጥታዊ ምኽንያት ተዓጽዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ 2021 ኣልጀርያ፡ ሞሮኮ \"ተጻባኢ ተግባራት\" ፈጺማ ኢላ ብምኽሳስ ምስ ጎረቤታ ዝነበራ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኣቋሪጻ። ሞሮኮ ግን ነቲ ስጉምቲ \"ፍጹም ዘይምኽኑይ\" ክትብል ከምዝገለጸቶ ይዝከር።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyxn6k94xz6o"} {"headline":"ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ቻምፕዮን ዓለም 2022 ዝሳተፉ ተጻወትቲ ኣፍሊጣ","content":"ካብ 18 ክሳብ 25 መስከረም ኣብ ኣውስትራልያ፡ ከተማ ዎሎንጎንግ፡ ኣብ ዝካየድ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም 2022 እትሳተፍ ሃገራዊት ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ተመሪጻ። ብኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰለሙን እትእለ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ቻምፕዮን ኤርትራ 2022 መርሃዊ ቅዱስ፡ ቻምፕዮን ኤርትራ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር 2022 ቢንያም ግርማይ፡ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022 ሄኖክ ምሉብርሃን፡ ዕዉት ብጫ ማልያ ዙር ርዋንዳ 2022 ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄርን መትከል እዮብን ብቐዳምነት እተሰልፎም ኰይኖም ተመሪጾም ኣለዉ። ዳዊት የማነ፡ ናትናኤል ብርሃነን ሚኪኤል ሃብቶምን ኸኣ ከም ተቐየርቲ ምስታ ሃገራዊት ጋንታ ተጠርኒፎም ኣለዉ። ኣብ ናይ ዓበይቲ [ኤሊት] ውድድር ክሮኖሜተር፡ ሚኪኤል ሃብቶም ንኤርትራ ብምውካል፡ 18 መስከረም ኣብ ዝካየድ ናይ 34.2 ኪሎ ሜተር ውድድር ክሳተፍ’ዩ። ብዘይካ’ዚ ንኤርትራ ኣብ ናይ ትሕቲ 19 ዓመት ዝውክሉ ኣኽሊሉ ኣረፋይነን ዩኤል ሃብተኣብን፡ 23 መስከረም 135.6 ኪሎሜትሮ ዝሽፍን ውድድር ክህልዎም’ዩ። ኣብዚ ካብ 18 ክሳብ 25 መስከረም ኣብ ኣውስትራልያ ከተማ ዎሎንጎንግ ዝካየድ ቻምፕዮና ዓለም ንልዕሊ 70 ሃገራት ዝውክሉ ልዕሊ 1000 ተቐዳደምቲ ቀስተደበናዊት ማልያ ንምውናን ኣብ ዝተፈላለየ ክሊ ዕድም ክወዳደሩ’ዮም። ነዚ ውድድር ልዕሊ 300 ሚልዮን ሰብ ብኣካልን ብመሳኩቲ ተለቪዥንን ክዕዘቦ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ዩሴኣይ ኣፍሊጡ። እቲ ኣብ 8 መዓልታት ዝካየድ 11 ዓይነታት ውድድር፡ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ደቂ ተባዕትዮን ኤሊት ናይ ግዜ ውድድር፡ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ትሕቲ 23 ዓመት ናይ ግዜ ውድድር፡ ናይ ጁንየር ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ናይ ግዜ ውድድር ዘካትት እዩ። ከምኡ’ውን ብደቂ ኣነስትዮን ብደቂ ተባዕትዮን ተሓናፊጹ ዝካየድ ናይ ግዜ ውድድር፡ ናይ ደቂ ተባዕትዮን ናይ ደቂ ኣንስትዮን ኤሊት ናይ ጽርግያ ውድድር፡ ጁንየር ደቂ ኣነስትዮ ናይ ጽርግያ ውድድርን ናይ ደቂ ተባዕትዮ ትሕቲ 23 ዓመት ናይ ጽርግያ ውድድርን’ዩ። እቲ ኤሊት ደቂ ተባዕትዮ 25 መስከረም ዘካይድዊ ናይ ጽርግያ ውድድር 266.9 ኪሎሜትሮ ዝሽፍን ኮይኑ፡ ተቐዳደምቲ 3945 ሜትሮ ብራኸ ክሓኹሩ’ዮም። እዚ ብዩሲኣይ ዝካየድ ውድድር ቻምፕዮና ዓለም ካብ 1927 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ፡ ብጀካ እቲ ካብ 1939 ክሳብ 1945 ብሰንኪ ካልኣይ ኵናት ዓለም ምቡኳሩ፡ ዓመት ዓመት ብዘይ ምቁራጽ’ዩ ዝካየድ። 2021፡ ጁልያን ኣላፒሊፒ [ፈረንሳዊ] 2020፡ ጁልያን ኣላፒሊፒ [ፈረንሳ] 2019፡ ማድስ ፔደርሶን [ዴኒማርክ] 2018፡ ኣሌጃንድሮ ቫልቨርደ [ስጳኛ] 2017፡ ፔተር ሳጋን [ ስሎቫክያ] 2016፡ ፔተር ሳጋን [ ስሎቫክያ] 2015፡ ፔተር ሳጋን [ ስሎቫክያ] 2014፡ ማይክል ክዋትኮወስኪ [ፖላንድ] 2013፡ ርዮ ኮስታ [ፖርትጋል] 2012፡ ፍሊፐ ጂልብርት [ቤልጂም]","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c90ng800n23o"} {"headline":"ኣብ ጸወታ ኵዕሶ እግሪ ብዝተፈጠረ ጽቕጥቅጥ ልዕሊ 170 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ኢንዶነዥያ፡ ኣብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ፡ ኣብ ሓደ ስታድዮም ብዝተፈጠረ ጽቕጥቅጥ፡ ዝጊት ብውሕዱ 174 ሰባት ከምዝሞቱ ሰበስልጣን ገሊጾም። በዚ ኸኣ እቲ ስታድዮም ካብቶም ዝኸፍአ ሓደጋታት ዘአንገዱ ስታድዮማት ዓለም ኰይኑ’ሎ። እቲ ጽቅጥቕጥ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ዓመጸኛታት ደገፍቲ ዘንብዕ ጋዝ ድሕሪ ምጥቃሙ ከምዝተፈጠረ ተፈሊጡ። ኣብቲ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣሬማ ብቐንዲ መነሓንሕታ ጋንታ ፐርሰበያ ዝተሳዕረትሉ ግጥም ብዝተፈጠረ ዕግርግር፡ ኣስታት 180 ሰባት ተጐዲኦም። ቁጽሪ ምውታት ክውስኽ ከም ዝኽእል ድማ ይግለጽ ኣሎ። እቲ ስታድዮም ክሕዞ ካብ ዝግባእ ንላዕሊ 4 ሽሕ ዝያዳ ሰባት ሒዙ ምንባሩ'ውን ሚኒስተር ድሕነት እታ ሃገር ሓቢሩ። ፕረዚደንት ኢንዶነዥያ ጆኮ ዊዶዶ ብዛዕባ እቲ ክስተት ምርመራ ተገይሩ ክሳብ ዝዛዘም፡ ኣብ ላዕለዋይ ሊግ እታ ሃገር ዝካየዱ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ደው ክብሉ ኣዚዙ’ሎ። ደገፍቲ ድሕሪ ፋጻ ማእከላይ ዳኛ ናብቲ ሜዳ ይጎዩ ከምዝነበሩ ዝተዘርግሑ ቪድዮታት የርእዩ። ድሕሪ እዚ ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ከምዝተጠቐመን ከም ሳዕቤኑ ድማ ሰባት ክጸቓቐጡ ከምዝጀመሩን ዋሕዲ ኣየር ከምዘጋጠመን ኣብ ኢስት ጃቫ ሓላፊ ፖሊስ ኒኮ ኣፊንታ ገሊጹ። ንሱ፡ “እቲ ኵነታት ናብ ቀይዲ በተኽነት ተሰጋጊሩ። ንፖሊስ ከጥቅዑ ጀሚሮም፡ መካይን ኣዕንዮም” ድሕሪ ምባል ክልተ ፖሊስ ካብቶም ዝሞቱ ከምዝኾኑ ጠቒሱ። ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ ናብ ሓጹር ሓዅሮም እናምልጡን ሬሳ ዝሞቱ ሰባት ኣብቲ ምድሪ ተደርብዩን ዘርእዩ ቪድዮታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሖም ይረኣዩ። ንጸወታታት ኩዕሶ እግሪ ዓለም ዝመሓድር ‘ፊፋ’ ኣብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ክጥቀሙ የብሎምን ይብል። ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኢንዶነዥያ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ምርመራ ከምዝጀመረ ብምግላጽ እቲ ክስተት፡ “ንመልክዕ ኩዕሶ እግሪ ኢንዶነዥያ ዝደወነ ፍጻመ” ኢልዎ። ኣብ ጸወታታት ኩዕሶ እግሪ ኢንዶነዥያ ናዕብታት ክለዓሉ ልሙድ ኰይኑ፡ ኣሬማን ፐርሰባያን ከኣ ናይ ነዊሕ ግዜ መነሓንሕቲ ጋንታታት’የን። ደገፍቲ ጋንታ ፐርሰባያ ሱራባያ ኣብቲ ዝተኻየደ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ጐንጽታት ክለዓል ይኽእል’ዩ ዝብል ሻቕሎት ስለዝነበረ፡ መእተዊ ትኬት ንኸይገዝኡ ተኣጊዶም ነይሮም። ሚኒስተር ድሕነት እታ ሃገር ማሕፉድ ኤምዲ ኣብ ናይ ኢንስተግራም ገጹ ኣብ ዝጠቅዖ ሓበሬታ፡ ካንጁሩሃን ስታድየም 38 ሽሕ ሰባት ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ዘለዎ’ኳ እንተዀነ፡ ቁጽሪ ዝተሸጠ መእተዊ ትኬት ግን 42 ሽሕ ከምዝዀነ ሓቢሩ’ሎ። ፕረዚደንት ዊዶዶ እቲ ዘሕዝን ፍጻመ ኣብታ ሃገር ናይ መወዳእታ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ። ኣብ 1964 [ኣ.ኣ] ኣብ ሊማ ርእሰ ከተማ ፔሩ፡ ኣብ መንጐ ፔሩን ኣርጀንቲና ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ብሰንኪ ዝተፈጥረ ዕግርግር 320 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ድማ ጉድኣት ወሪድዎም ከምዝነበረ ይዝከር። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ 1985፡ ኣብ በልጂየም ኣብ መንጐ ክለባት ሊቨርፑልን ጂቬንቱስን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፍጻመ ጸወታ ዋንጫ ኣውሮጳ ደገፍቲ ብዘልዓልዎ ዕግርግር 39 ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ 600 ድማ ከም ዝቘሰሉ ኣይርሳዕን።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/czrerey48w8o"} {"headline":"ዳዊት የማነ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ሰርብያ ቀዳማይ ብምውጻእ ወናኒ ብጫ ማልያ ኮይኑ","content":"ሎሚ ዓመት ንመበል 62 ግዚኡ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዙር ሰርብያ፡ ኣባል ባይክ ኣየድ ኤርትራዊ ዳዊት የማነ፡ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ መድረኽ ቀዳማይ ብምውጻእ ወናኒ ብጫ ማልያ እቲ ውድድር ኮይኑ። ቻምፕዮን ኤርትራ 2021 ዝኾነ ዳዊት የማነ፡ ነዛ ሎሚ ዝተኻየደ ካብ ካካክ ናብ ፕሪፖላጀ ዝተኻየደ ተረርቲ ዓቐበታት ዘጠቓለለ 153.3 ኪሎሜተር ርሕቐት ዝነበሮ መድረኽ ንመወዳድርቱ ራሕሪሑ ብምእታው’ዩ ቀዳማይ ወጺኡ። ዳዊት፡ በዚ ሎሚ ዘመዝገቦ ዓወት ብጫ ማልያ ካብ ኢጣልያዊ ካርታ ኢልያ ክርከብ እንከሎ፡ ንኣንበሳ ዓቐብ እትውሃብ ቀጠልያ ማልያ’ውን ብ18 ነጥቢ ወኒንዋ ኣሎ። ብዘይካ'ዚ ዳዊት የማነ ኣብ ናይ ነጥቢ ማልያ ነቲ ብ49 ነጥቢ ቀዳማይ ዘሎ ሰርብያዊ ቪክተር ተኸቲሉ ብ32 ነጥቢ ኣብ ካልኣይ ተሰሪዑ ኣሎ። ዙር ሰርብያ ናይ 2.2 መዐቀኒ ዘለዎ ብዓል ኣርባዕተ መድረኽ ውድድር እዩ።\\nጽባሕ ናይ ራብዓይን ናይ መወዳእታን መድረኸ ዘካይድ ዙር ሰርብያ፡ ካብ ፕሪፖላጀ ናብ ካካክ ናይ 156.5 ኪሎሜተር ከካይድ እዩ። ዳዊት የማነ ኣብ ብጫ ማልያ ናይ ሓሙሽተ ካልኢት ጸብለልታ ኣንጺፉ ስለዘሎ፡ ንብጫ ማልያ እቲ ውድድር ክዕወተሉ ዓቢ ተስፋ ተነቢርዎ ኣሎ። ኣብ ዙር ሰርብያ ኣብ 18 ጋንታታት ዝተጠርነፉ 108 ተቐዳደምቲ ይሳተፉ ኣለዉ።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3gmjnn47emo"} {"headline":"ፖል ፓግባ ዒላማ ውዱባት ወረበላታት ኰይኑ ምህላዉ ገሊጹ","content":"ፈረንሳዊ ተጻዋታይ ጋንታ ጁቬንቱስ ፖል ፖግባ፡ ብውዱባት ወረበላታት ዝምታን ምፍርራሕን ይወርዶ ምህላዉ ገሊጹ። እዚ ዉሩይ ተጻዋታይ ማእከል ሜዳ፡ ትማሊ ሰንበት ብመንገዲ ጠበቃታቱ ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ ጉዳይ ናብ ሰብ መዚ ከምዝሓበረ ኣፍሊጡ። ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ንገለ ምንጭታቱ ብምጥቃስ፡ ፖሊስ ፈረንሳ ነቲ ጉዳይ ክምርምርዎ ጀሚሮም ምህላዎም ዝገለጽ ዜና ኣቃሊሑ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ንፖል ፖግባ ዓቢ ሓዉ ዝኾነ ማትያስ ፖግባ ብቪድዮ፡ ብዛዕባ ሓዉ [ፖል ፖግባ] “ዓቢ ምቅላዕ” ኢሉ ዝገለጾ ምስጢር ከቃልዕ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ። ማትያስ ፖግባ፡ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ከይሃበ፡ እቲ ብዛዕባ ፖል ፖግባ ከቃልዖ ሓሲቡ ዘሎ ምስጢር ኣዝዩ ተኣፋፊ ምዃኑ ገሊጹ ምንባሩ ይዝክር። እቲ ብጠበቓታት ፖል ፖግባ ዝወጽአ መግለጺ “እቲ ኣብ ልዕሊ ፖል ፖግባ ዝፍጸም ዘሎ ምፍርራሕን  ዝምታን ብዝተወደቡ ወረበላታት’ዩ ዝካየድ ዘሎ” ይብል። እቲ መግለጺ ብምስዓብ “ኣብ ፈረንሳን ዓዲ ጣልያንን ዝርከቡ ዝምልከቶም ኣካላት፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ’ዩ ተሓቢርዎም፡ ብዛዕባ’ቲ ዝካየድ ዘሎ መርመራታት ግን ሕጂ እንህቦ ተወሳኺ ሓበሬታ የለን” ይብል። ኣብ 2018 ምስ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ ብምዃን ዋንጫ ዓለም ዝተዓወተ ፖል ፖግባ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ካብ እንግሊዛዊት ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ ናብ ክለብ ጁቬንቱስ ብነጻ ምስግጋሩ ይዝከር። ዓቢ ሓዉ ንፖል ፖግባ፡ ማትያስ ፖግባ “ዓለም፡ ደገፍቲ ሓወይ፡ ኣባላት ጋንታ ጁቬንቱስን ፈረንሳን ብዓቢኡ መወልቱ ብዛዕባ ፖል ፖግባ ክፈልጠዎ ዘለዎም ነገር’የ ክሕብሮም” ድሕሪ ምባል እቲ ከቃልዖ’የ ዝበሎ ምስጢር ወኪል ፖል ፖግባን ካልኦት ውሩያት ተጻወትትን  ንዝኾነ ራፋኤል ፒምነታ’ውን ዝትንክፍ ከምዝኾነ ተዛሪቡ ነይሩ።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4n0l2lwzmlo"} {"headline":"ቤልጂማዊ ሬምኮ ኢቨንፖል ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም 2022 ኮይኑ","content":"ሎሚ ብኣቆጻጽራ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ሰዓት 3 ናይ ንግሆ ጀሚሩ ኣብ ኣውስትራልያ ከተማ ዋሎንጎንግ ኣብ ዝተኻየደ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽኽለት ዓለም ወዲ 22 ዓመት ቤልጂማዊ ሬምኮ ኢቨንፖል ጸወታ ክዛዘም 25 ኪሎሜተር ምስ ተረፎ ካብታ ኣብ ቅድሚት ዝነበረት ጉጅለ በይኑ ብምህዳም ብዘይ ተቃጸጺ ቀዳማይ ወጺኡ። ሬምኮ ኢቨንፖል ነቲ 266 ኪሎሜተር ብሽዱሽተ ሰዓት፡ 16 ዲቂቕን 8 ካልኢት ክዛዝሞ እንከሎ፡ ንኢቫንፖል ስዒባ ኣብ ሓደ ተጠርኒፋ ዝነበረት ሓሙሽተ ተጻወተቲ ዝሓዘት ጉጅል ናብ መስምር ሕንጻጽ ክትብጽሕ ትሕቲ 200 ሜትሮ ምስ ተረፋ ዓባይ ጉጅል ብዘደንቕ ቅልጣፈ ስለዝወሓጠታ፡ ልዕሊ 27 ተጻወትቲ ብሩርን ነሓስን መዳልያ ንምርካብ ቅጽበታዊ ውድድር ኣካይዶም። ፈረንሳዊ ላፖርተ ካልኣይ፤ ኣውስትራያላዊ ማትዮው ሚካኤል ኸኣ ሳልሳይ ብምውጻእ ተሸለምቲ ብሩርን ነሓስን መዳልያ ኮይኖም። ኣብዚ ውድድር እዚ ኤርትራ፡ ብቢንያም ግርማይ፣ መርሃዊ ቅዱስ፣ ናትናኤል ተስፋጽዮን፣ መትከል እዮብ፣ ሄኖክ ሙሉብርሃንን ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄርን’ያ ተወኪላ። ካብ መጀመርታ ምስ መርሃዊ ቅዱስ ብምዃን ምስታ ዝወጽአት ጉጅለ ኣብ ቅድሚት ክወጽእ ዝፍትን ዝነበረ ቢንያም ግርማይ ካብ ቀዳማይ ብሰለስት ደቂቕን 8 ካልኢትን ድሒሩ መበል 54 ክወጽእን እንከሎ፡ ቻምፕዮን ኤርትራ ዓመት 2022 መርሃዊ ቅዱስ መበል 69 ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ። ኣማንኤል ገብርእግዚኣብሄር፣ ናትናኤል ተስፋጽዮን፣ መትከል እዮብን ሄኖክ ሙሉብርሃንን ግን ነቲ ውድድር ክዛዝምዎ ኣይክኣሉን። ነቲ ውድድር ክዕወትሉ ይኽእሉ'ዮም ተባሂሎም ተገሚቶም ካብ ዝነበሩ ሓሙሽተ ተጻወትቲ ሓደ ዝኾነ ቢንያም ግርማይ፡ ዓሚ ኣብ ናይ ትሕቲ 24 ዓመት ተመሳሳሊ ውድድር ካልኣይ ብምውጻእ ንሃገሩ ናይ መጀምርታ ብሩር መዳልያ ከመዝግብ ምኽኣሉ ዝዝከር'ዩ። ኣብ 19 መስከረም ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ትሕቲ 23 ዓመት ደቂ ተባዕትዮ፡ ኖርወጃዊ ሶረን ንውድድሩ ብ34 ደቂቕን 13 ካልኢትን ብምዝዛም ተሸላሚ ወርቂ መዳልያ ክኸውን እንከሎ፡ ቤልጅማዊ ኣሌክ ሰጋረተን ብሪጣንያዊ ልዮ ሃይተርን ካልኣይን ሳልሳይን ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም። ኣብዚ ውድድር ንኤርትራ ወኪሉም ዝተወዳደሩ ኣማኑኤል መሓርን ሳይሞን ተስፋጋብርን ብቕደም ተኸተል መበል 39 ከምኡ’ውን መበል 42 ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም። ኣብ 23 መስከረም፡ ተወዳደርቲ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዘካየድዎ 135.6 ኪሎ ሜተር ኣብ ዝሸፈነ ውድድር ጀርመናዊ ኢሊለ ሄርዛግ ተሸላሚ ወርቂ መዳልያ ክኸውን እንከሎ፡ ፖርቱጋላዊ ኣንቶንዮ ሞርጋዶ ካልኣይ፡ ቤልጅማዊ ቭላድ ቫን መቸሊን ሳልሳይ ወጺኦም። ኣብዚ ውድድር ካብቶም ንኤርትራ ዝወከሉ ሰለስተ ተጻወትቲ፡ ዩኤል ገብረገርግሽ መበል 28፡ ዮናስ ኣብርሃም መበል 60 ክወጽኡ እንከለዉ፡ ኣኽሊሉ ገብረትንሳኤ ግን ውድድሩ ክውድእ ኣይክኣለን። ካብቶም ጸወታ ዝጀመሩ 108 ተቐዳደምቲ እቶም 48 ነቲ ውድድር ክዛዝምዎ ኣይክኣሉን። ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ደቂ ተባዕትዮ፡ እቲ ውድድር 168.9 ኪሎሜተር ዝሸፈነ ኰይኑ፡ ካዛኪስታናዊ የቨገኒ ፈዶሮቭ ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ፡ ወዲ ቸክ ሪፖብሊክ ማትያስ ቫሰክን ኖርወጃዊ ሶረን ዋረንክስጆልድን ካልኣይን ሳልሳይን ወጺኦም። ኣብዚ ውድድር ኤርትራ ብሓሙሽተ ተጻወትቲ ኣማኑኤል መሓሪ፣ ዳኒኤል በርሀ፣ ሚልክያስ ቅዱስ፣ ሳምሶን ሃብተን ሳይሞን ተስፋጋብርን’ያ ተወኪላ። ሓሙሽተኦም ከኣ ነቲ ውድድር ክፍጽምዎ ኣይከኣሉን። ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ካብ ዝተወዳደሩ 132 ተቐዳደምቲ፡ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 62 ተቐዳደምቲ ነቲ ውድድር ክዛዝምዎ ኣይከኣሉን። ኣብ ተመሳሳሊ ውድድር እቶም ንሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ወኪሎም ዝተወዳደሩ ኪያ ሮጎራን ሃይሉ ኣብርሀ ነጋስን’ውን ነቲ ውድድር ኣይዛዘምዎን።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cl7d9e11grro"} {"headline":"ኣብ ዓለም ኮኾብ ተጻዋቲት ቴኒስ፡ ሰሬና ዊልያምስ ካብ'ቲ ውድድር ተሰናቢታ","content":"እታ ንነዊሕ እዋን ኣብ ዓለም ቁጽሪ ሓደ ተጻዋቲት ቴኒስ ዝነበረት ሰሬና ዊልያምስ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ 'ዩኤስ ኦፐን' ብኣውስትራልያዊት ኣጅላ ቶምልያኖቪች ድሕሪ ምስዓራ፡ ካብ ውድድር ቴኒስ ንሓዋሩ ተሰናቢታ። ኣብዚ ወርሒ 41 ዓመት ዝመልኣ ዊልያምስ፡ ኣብ መወዳእታ 7-5፡ 6-7፡ 6-1 ብዝኾነ ውጽኢት እያ ተሳዒራ። ን27 ዓመታት ኣብ ዝጸንሐ ፕሮፌሽናል ሂወታ፡ 23 ግራንድ ስላም ተዓዊታ እያ። ኣሜሪካዊያን ካብ ኩሉ ግዜ ብልጽቲ ተጻዋቲት ይብለዋ። ኣብዚ ሰሙን ድሕሪ ዘርኣየቶ ብቕዓት ስንብታ ዳግማይ ክትሓስበሉ እንተኾይና ዝተሓተተት ዊልያምስ፡ \"ኣይመስለንን፡ ግን ድማ ኣይፍለጥን\" ኢላ። ዊልያምስ፡ ኣብ ማእከል ሜዳ ቃለ መሕትት ምስ ተገብረላ ንብዓታ ኣብ ገጻ ይውሕዝ ነይሩ፡ ንስድራኣ፡ ጋንትኣ፡ ተዓዘብታን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ደገፍታን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንዝሃብዋ ደገፍ ኣመስጊና። \"ንነዊሕ ዓመታት፡ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ጎነይ ዝነበረ ኹሉ ሰብ የመስግኖ\" ትብል እታ ኣብ 1995 ጓል 14 ዓመት ከላ ንፈለማ እዋን ፕሮፌሽናል ውድድር ዝተጻወተት ዊልያምስ። \"ግን ኩሉ ካብ ወለደይ እዩ ጀሚሩ። ኩሉ ድማ ይግብኦም'ዩ። ስለዚ ብሓቂ የመስግኖም።\" \"ኣነ ድማ [ሓፍተይ] ቬኑስ እንተዘይትህሉ ሰሬና ኣይምኾንኩን፡ ስለዚ የቐንየለይ ቬኑስ። ሰሬና ዊልያምስ ክትህሉ ዝገበረት እንኮ ምኽንያት ንሳ እያ።\" ናብ ራብዓይ ዙርያ ዝተሰጋገረት ቶምልያኖቪች፡ ንታ ኣብ ዓለምና ፍልጥቲን ኮኾባት ስፖርትን ዝኾነት መጋጥምታ ሰሬና ኣጣቒዓትላ እያ። እታ ካብ ተጻዋቲት ቴኒስ ንላዕሊ ኮይና ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐት ዊልያምስ ንፋሽን መጽሔት ቮግ ኣብ ዝጸሓፈቶ ጽሑፍ ካብ ውድድር ቴኒስ ከምዝተሰናበት ሓቢራ'ያ። መደባ ኣብዚ ክልተ ሰሙን ሞያኣ ከተብቅዕ'ዩ። ዊልያምስ፡ 'ናይ ንግስቲ ንግስቲ' ተባሂላ ድሕሪ ምልላያ፡ ብኣሜሪካዊት ኮኾብ ራፕ ንግስቲ ላቲፋ ብዝተዘንተወት ቪድዮ ተዓጂባ እያ ናብቲ ውድድር ሜዳ ኣትያ። ኣሰናዳኢት ቮግ ኣና ዊንቱርን፡ ፍሉይ ኮኸብ ጎልፍ ታይገር ዉድስን፡ አር ኤንድ ቢ ደራፊት ሲያራ ምስ በዓል ቤታ፡ ፊልም ዳይሬክተር ስፓይክ ሊ ዝኣመሰሉ ኣብቲ ሕብረተሰብ ልዑልን ብሉጽን ደረጃ ዘለዎም ሰባት ተዓዘብቲ እቲ ውድድር ነይሮም።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2pe9dj30mo"} {"headline":"ሊቨርፑል’ዶ ማንቸስተር ሲቲ?","content":"ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሞንጎ ሊቨርፑልን ማንቸስተር ሲቲን ዝካየድ ዓብይ ግጥም ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ክህልው’ዩ። ተንታኒ ኩዕሶ እግሪ ሱተን፡ \"ሊቨርፑል ቅድሚ ናብ ስታድዩም ኤሚሬትስ ምኻዳ፡ ናብቲ ናይ ቀደም ብቕዓታ ከምእትምለስ ግምተይ ክህብ ጸኒሐ'የ\" ይብል። “ግን ከኣ ፈሺሉ። ዋላ'ኳ ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ንሬንጀርስ 7 ብ 1 እንተሰዓረት፡ ኣብ ቅድሚኣ ከቢድ ፀዋታ እዩ ዝፅበያ ዘሎ” ክብል’ውን ወሲኹ ይገልፅ። ሱተን ነዚ ጸወታ ሓዊሱ ኣብ መበል 10 ሰሙን ናይ ዝካየዱ ጸወታታት ግምት ውጽኢት ኣቐሚጡ ኣሎ። ኣብዚ ናይዚ ዓመት ግጥማት ብዘደንቕ ብቕዓት ዝጀመረት ብሬንትፎርድ ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን ፅቡቕ የላን። ዝሓለፈ ሰሙን ብኒውካስል ከምዝተሰዓረት ይዝከር። ሓድሽ ኣሰልጣኒ ዝመዘዘት ብራይተን ብወገና እንታይ ዓይነት ጉዕዞ ክትገብር ምዃና ንምግማቱ ኣጸጋሚ ኮይኑ’ሎ። ግን ድማ ኩሉ ግዜ ሓያላት ኮይኖም ስለዝቐርቡ ኣብዚ ጸወታ ክዕወቱ እዮም ዝብል ግምት ኣለኒ። ሌስተር ኣብ ሜድኣ ኣንጻር ኖቲንሃም ፎረስት ብልጽቲ’ኳ እንተነበረት ኣንጻር ቦርንማውዝ ግን ድኽምቲ እያ ነይራ። ነገራት ዝቕየሩ ኣይመስለንን። ናይ ድሕሪት መስመሮም ዝደክም እንተኾይኑ በዓል ዊልፍሪድ ዛሃ  ነቲ ኣጋጣሚ ክብለፁሉ ይኽእሉ እዮም። ፓላስ ንሊድስ ክሳብ እትስዕራ ኣብ ዝነበረ እዋን ናብ ድሕሪት ምውራድ ጀሚራ ነይራ። ክልቲአን ጋንታታት ነጥቢ ተማቒለን ብማዕረ ክፈላለያ እየን ዝብል ግምት ኣለኒ። ተፃወትቲ ኤቨርተን ኣንጻር ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ዝነበሮም ግጥም ብፍላይ ድሕሪ ምምዝጋብ ሸቶ ካብቲ ክኸውን ዝግበኦ ዝተሓተ ምንቅስቓስ’ዮም ኣርእዮም። ዋላ'ኳ መስመር ምክልኻል እታ ጋንታ እንተተመሓየሸ፡ ገና ፅኑዕ ዘይምዃኑ ግን  ማንቸስተር ዩናይትድ ኣርእያ'ያ። ንቶተንሃም ስፐርስ ደው ምባል ቀሊል'ኳ እንተኾነ፡ ሃሪ ኬንን ሶን ሄዩንግ-ሚን ግን ኣብ ጽቡቕ ብቕዓት’ዮም ዘለዉ። ስለዚ ኣብዚ ግጥም ቶተንሃም ክትዕወት ኮይና፡ መጠን ሸቶ ድማ በታ ቀዳመይቲ ሸቶ ዘመዝገበትላ ደቒቕ እዩ ዝውሰን ። ፉልሃም ኣንጻር ዌስትሃም ኣብ ዝነበራ ፀዋታ ኣብ ቀዳማይ እብረ ጽቡቕ ነይራ። ፍፁም ቅላዕ ምስተወሃበ ኣሰልጣኒ ማርኮ ሲልቫ ኣዝዩ ሓሪቑ ነይሩ። ክሓርቕ ዝነበሮ ግን በቲ ዝተወሃበ ፍፁም ቅላዕ ዘይኮነስ በቲ ተደጋጋሚ መጠንቀቕታ እናተወሃቦ ክሰምዕ ዘይከኣለን ጥፍኣት ብዝፈጸመን ኣንድሪያስ ፔሬራ ክኸውን ምተገብኦ። ኩሉ ግዜ በርንማውዝ ክትዕወት’ያ ክብል ከለኹ እቶም ተፃወትቲ ግን ግምተይ ጌጋ ከምዝነበረ እዮም ዘረጋግጹለይ። በርንማውዝ ኣብ ትሕቲ ጋሪ ኦኔል ጽቡቕ እንተሃለወት’ኳ፡ ነተን ሰለስተ ነጥቢ እትወስደን ግን ፉልሃም ክትኸውን’ያ። ዎልቭስ ዛጊት ኣሰልጣኒ የብላን፤ ግን ድማ ከምቲ ዝድለ ምንቅስቓስ ዘይከኣሉ ገለ ብሉጻት ተጻወትቲ ኣለውዋ። ኣብ ናይ ምውራድ ደረጃ እንተሃለወት’ውን ገና ዓቕማ ክተርእይ ዘይከኣለት ጋንታ ጌረ እየ ዝቖፅራ። ንኖቲንግሃም ፎረስት ብዝተፈለየ መገዲ እየ ዝርእያ። ኣለኒ ዝሓለፈ ሰሙን ኣንጻር ኣስቶንቪላ ነጥቢ ክረኽቡ ምኽኣሎም ዕድለኛታት ነይሮም። ተጻወትቲ ኖቲንሃም ገና ዘይተወሃዱ ኮይኖም ርእሰ-ምትእምማኖም የንቆልቆል ዘሎ ይመስለኒ። ጉዳይ ኣሰልጣኒ ስቲቨን ጀራርድ ብደገፍቲ ኣስቶንቪላ መዕለቢ ውሳነ ዝተገበረሉ ኣይመስልን። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ድማ እቲ ዝመረጽዎ ስልቲ ጸወታ እዩ። ፒየር ኤመሪክ ኦባሜያንግ ሸቶታት የመዝግብ ኣሎ፤ ኣሰልጣኒ ግራሃም ፖተር ድማ ምስታ ጋንታ ናይ ምውሃድ ብቕዓቱ የርኢ ኣሎ። ቪላ ኣብ ሜድኣ ክትዕወት ​​ትፅገም’ያ ዘላ። ሊድስ ኣንጻር ፓላስ ዝገበረቶ ጸወታ ኣብ ቀዳማይ እብረ ብልጽቲ እንተነበረት’ኳ ነዊሕ ግን ኣይጸንሐትን ። ኣብዚ ጸወታ ሊድስ ኣብ መጀመርታ ብጸቕጢ ክትጻወት ፈቲና ነይራ፤ ግን ኣይመልኣቶን። ካብ ዘለዋ ፅቡቕ ብቕዓትን ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ውፅኢትን ብምብጋስ ኣርሰናል ነቲ ፀወታ ብዓወት ክትውድኦ እያ ዝብል ግምት ኣለኒ። ሊድስ ከተጥቅዕ እንተፈቲና ጋብሪኤል ማርቲነሊን ቡካዮ ሳካን ዝፃወቱሉ ክፍተት ክረኽቡ እዮም ዝብል ግምት ኣለኒ። ንጋብርኤል ጂሰስ እውን ዕድላት ዝፈጥር’ዩ። ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብዚ ጸወታ ክትዕወት’ያ ዝብል ግምት የብለይን። እቲ ሕቶ ኒውካስል ሓንቲ ነጥቢ ወይ ሰለስተ እያ ክትረክብ ዝብል እዩ። ማንቸስተር ኣብ ትሕቲ ኤሪክ ቴን ሃግ ትመሓየሽ ምህላዋ ይሰማማዕ እየ። ኒውካስል ብምጥቃዕ ክትፃወት ጀሚራ’ላ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ጸወታታት’ውን 9 ሸቶታት ከምዘመዝገበት ይዝከር። ኣሰልጣኒ ኤዲ ሃዊ ኣብ ሜዳ ኦልትራፎርድ ቅዲ ጸወታኡ ዝቕይር ኣይመስለንን። እዚ ድማ ዕድላት ከፊቱ ንማንቸስተር ዝጠቅም እዩ። እዚ ከቢድ ጸወታ እዩ። ንሳውዝሃምፕተን ኣንጻር ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ዝካየድ ግጥም ክትግምግማ ኣጸጋሚ እዩ። ኣሰልጣኒ ራልፍ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበረ ጸቕጢ ስለዘይነከየ፡ ካብዚ ጸወታ ውጽኢት ከምዝፅበይ እግምት። ዋላ እኳ እቲ ጸወታ ብማዕረ ውፅኢት ዝዛዘም እንተመስለኒ፡ ነገራት ግን ናብ ዌስትሃም ከዘምብል የገድዱኒ። ዌስትሃም ናብ ተኸታታሊ ዓወት ተመሊሳ ኣላ። ንሊቨርፑል ካብ ውድድር ዋንጫ ከተውጽእ ከቢድ ክኸውን'ዩ። ሲቲ ናብ ሜዳ ኣንፊልድ ተጓዒዛ ክትዕወት ​​እንተኽኢላ ግን ዕድል ኣይክትረክብን'ያ ። ተፃወትቲ ሲቲ ነዚ ስለዝፈልጡ ክጥቀሙሉ እዮም። አርሊንግ ሃላንድ ኣብ መፋርቕ ሰሙን ስለ ዝዓረፈ ኣብ ጸወታ ክጻወት ኢዩ። ቅዲ ኣጸዋውታ ሊቨርፑል ንሃላንድ ዝምችእ ስለዝኾነ ጥንቃቐ የድሊ። ዋላ እኳ ሊቨርፑል ዕድል ክትፈጥር እንተኽኣለት ማንቸስተር ሲቲ ካብኣ ትበልጽ ምዃና ግን ፍሉጥ’ዩ። ኣብ 2021 እታ ብፔፕ ጋርድዮላ እትምራሕ ጋንታ 4 ሸቶታት ከምዘመዝገበት ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብዚ ጸወታ ውን ተመሳሳሊ ሸቶ ትጽቢት ኣለኒ።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cz71dyzg574o"} {"headline":"ኤርትራዊት ኣትለት ራሄል ዳኒኤል፡ ኣብ ውድድር ጉያ 10 ሽሕ ሜትር ተዓዊታ","content":"ኤርትራዊት ተቓዳዳሚት ራሄል ዳኒኤል፡ ብሰንበት 11 መስከረም ኣብ ኮሎምብያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ቀዳመይቲ ብምውጻእ ተዓዊታ። ንሳ፡ ‘ላ ካሬራ ዴል ፓስፊክ’ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ውድድር ጽርግያ 10 ሽሕ ሜትሮ፡ 32 ደቂቕን 23 ካልኢትን ብምምዝጋብ ውድድራ ዛዚማ። ንራሄል ብ30 ካልኢታት ስዒባ ኬንያዊት ኣትለት ሞኒካ ንጊገ ካልኣይ ደረጃ ክትሕዝ ከላ፡ ካልእ ኬንያዊት ቬሮኒካ ንያሩዋን ድማ፡ ብተወሳኺ 8 ካልኢታት ድሒራ ሳልሳይ ተርታ ተሰሪዓ። እታ ኣብ ዕስራታት ዕድመ እትርከብ መንእሰይ፡ ኣብ ቀዳሞት ኪሎሜተራት ብላቲን ኣሜሪካውያን ዳኒኤላ ቶረዝ (ሜክሲኮ)ን ዳያና ኦካምፖን (ኣርጀንቲና) ህልኽ ዝመልኦ ሓያል ውድደር ኣጋጢምዋ ነይሩ። እንተዀነ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣፍሪቃውያን ነቲ ፈተና ድሕሪ ምብዳህ፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ራሄል ዳኒኤል ናህሪ ወሲኻ ወሳኒ ፍልልይ ፈጢራ ቀዳመይቲ ኰይና ተዓዊታ። ኣትለት ራሄል ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ “ኣብ ኮሎምብያ ንመጀመርታ ግዜይ እዩ፡ ብጣዕሚ ደስ ዝብል ውድድር፣ እቲ ውድድር ሓያል እዩ ነይሩ ብሓቂ ድማ ደስ ኢሉኒ፤ ቅሩብ ዓቐብን ቁልቁልን ነይርዎ። \"ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ውድድር ሞራል ሂቦምና፣ ኣዝያ ሕጉስቲ ከተማ እያ። ብርግጽ ዝመጽእ ዓመት ክምለስ ደልየ ኣለኹ፡” ኢላ። ኣብ ሓምለ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከተማ ኦሪጎን ኣብ ዝተኻየደ ናይ 10 ሽሕ ሜትር ውድድር ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣትለት ራሄል ዳኒኤል ዘመዝገበቶ ዓወት’ውን ኣብ ታሪኽ ኣትለቲክስ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ኣብ ሻምፕዮን ዓለም እቲ ዝበለጸ ዝተመዝገበ ውጽኢት እዩ። ራሄል ዳኒኤል፡ ነቲ ኢትዮጵያዊት ለተሰንበት ግደይ፡ ኬንያውያን ሄለን ኦቢሪን ማርጋረት ኪፕከመባይን ዝተዓወታሉ ውድድር፡ ንሆላንዳዊት ኣትለት ሲሃን ሓሰን ተኸቲላ ሓሙሸይቲ ኰይና ውድድራ ዛዚማ ምንባራ ይዝከር።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c9rkdnzdxl6o"} {"headline":"ኣለክሳንደር ኢሳቕ ኣብ ናይ ረቡዕ ግጥም ንክሳተፍ ናይ ስራሕ ፍቓድ ይጽበ ኣሎ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ እንግሊዛዊት ክለብ ኒውካስል ዝተሰጋገረ ኤርትራዊ-ስዊድናዊ ኣለክሳንደር ኢሳቕ፡ ኣብቲ ጋንትኡ ጽባሕ እተካይዶ ግጥም ፕሪሜርሊግ ንምጽዋት ናይ ስራሕ ፍቓድ ካብ ሰብመዚ ኢሚግሬሽን ይጽበ'ሎ። ኒውካስል ጽባሕ ረቡዕ ኣንጻር ሓያል ጋንታ ሊቨርፑል ኣብ ሜዳ ኣንፊልድ ከትገጥም’ያ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ብወግዒ ውዕል ዝፈረመ ወዲ 22 ኣጥቃዓይ፡ ጋንትኡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ምስ ዎልቭስ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም ኣይተሳተፈን። እቲ ግጥም 1 ብእ 1 ዝተዛዘመ'ዩ ነይሩ። ኣሰልጣኒ ኒውካስል ዩናይትድ (ማግፒስ) ኤዲ ሃው ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ \"ኣይፈልጥኩን ዘለኹ\" ክብል ብዛዕባ ኣለክሳንደር ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ሂቡ። \"ኣዝየ ተስፋ እገብር። ኣብ ኢድ ካልኦት ሰባት ኢና ዘለና፡ ቅድሚ'ቲ ጸወታ ክውዳእ ድማ ተስፋ እገብር\" ይብል እቲ ኣሰልጣኒ። \"እንተደንጐየ፡ 75 ደቒቕ ጸወታ ቅድሚ ምጅማሩ ክውዳእ ኣለዎ፣ ስለዚ ክሳብ ናይ መወዳእታ ህሞት ክጽበ ይኽእል'ዩ\"። ካለም ዊልሶን ዝርከቦም ሓያለ ኣገደስቲ ተጻወቲ ብሰንኪ መጉዳእቲን ካልኦት ምኽንያታትን ክቦኽሩ ስለዝኾነ፡ ኩነታት ኣለክሳንደር ኢሳቕ ወሳኒ ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ። እንተኾነ ግን፡ ሊቨርፑል ከም ብዓል ዲየጎ ጆታ፡ ናቢ ከይታ፡ ኢብራሂማ ኮናተ፡ ቲያጎን ከለሀርን ዝበሉ ተጻወቲ ብሰንኪ መጉዳእቲ ካብ ግጥም ወጻኢ ብምዃኖም ንኒውካስል ጸቕጢ ዘቃልል ከይኮነ ኣይተርፍን። ተንታኒ ኩዕሶ እግሪ ክሪስ ሳተን፡ ከምዝብሎ፡ ሊቨርፑል ኣብ ዝሓለፈ ግጥማ 9 ብ 0 ስዒራ'ኳ እንተነበረት፡ ኒውካስል ግን \"ሓደገኛ\" ጋንታ ምዃና ኣሚቱ'ሎ። ብዓይኒ ሳተን ግን፡ ዋላ ኣለክሳንደር ኣብቲ ናይ ረቡዕ ግጥም ይሳተፍ፡ ሊቨርፑል 4 ብ 0 ክትስዕር'ያ ክብል ትንቢቱ ገሊጹ'ሎ። ግምቱ ክግሃድ'ዩ? ሜዳ ሊቨርፑል ኣንፊል እትወልዶ ክኸውን'ዩ። ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ስዊድን ዝኾነ ኣለክሳንደር ብልዕሊ 70 ሚልዮን ዶላር'ዩ ካብ ስጳኛዊት ክለብ ሪያል ሶሲዳድ ናብ እንግሊዛዊት ክለብ ኒውካስል ዩናይትድ ተሰጋጊሩ።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cx784v655w6o"} {"headline":"ቢንያም ግርማይ፡ ንቻምፕዮን ዓለም ክዕወቱ ካብ ዝኽእሉ 5 ተቐዳደምቲ ተገሚቱ","content":"ኣብቲ ሰንበት 25 መስከረም ኣብ ኣውስትራልያ ከተማ ዎሎንጎንግ ዝካየድ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም 2022፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ብድምጺ ህዝቢ ካብቶም ሓሙሽተ ነቲ ውድድር ክዕወትሉ ዝኽእሉ ተቐዳደምቲ ተባሂሉ ተገሚቱ ኣሎ። ብኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰለሙን እትእለ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ንተቐዳደምቲ መርሃዊ ቅዱስ፡ ቢንያም ግርማይ፡ ሄኖክ ምሉብርሃን፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄርን መትከል እዮብን ብቐዳምነት ከተሰልፍ ምዃና ተፈሊጡ'ሎ። መርሃዊ ቅዱስ - ቻምፕዮን ኤርትራ 2022፣ ቢንያም ግርማይ - ቻምፕዮን ኤርትራ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር 2022፣ ሄኖክ ምሉብርሃን - ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022፣ ናትናኤል ተስፋጽዮን - ዕዉት ብጫ ማልያ ዙር ርዋንዳ 2022 ምዃኖም ይፍለጥ። በዚ መሰረት፡ ቢንያም ግርማይ በዞም ኣብ ዝተፈላለየ ኣህጉራዊ ውድድራት ዓቢ ሽም ዘለዎም ተቐዳደምቲ ተሓጊዙ ነዚ ውድድር ክዕወተሉ ከምዝኽል እዩ ብኣጋኡ ግምታት ተዋሂብዎ ዘሎ። ብመሰረት'ቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዩሲኣይ ዝተኻየደ ክፉት ድምጺ ህዝቢ፡ ንቻምፕዮን ዓለም 2022 ክዕትሉ ይኽእሉ’ዮም ተባሂሎም ድምጺ ዝተዋህቦም ሓሙሽተ ተቐዳደምቲ፣ ቤልጅማዊ ውት ቫንኣርት፡ ሆላንዳዊ ማትዮ ቫንደርፖል፡ ስሎቬንያዊ ታደጅ ፖጋካር፡ ቤልጅማዊ ሬምኮ ኢቨንፖልን ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይን ተረቝሖም ኣለው። ኣብቲ ሰንበት ዝካየድ 266.9 ኪሎ ሜተር ዝሽፍን ውድድር፡ ካብቶም ነንሃገሮም ወኪሎም ዝወዳደሩ 160 ተቐዳደምቲ ክሳብ ሕጂ ኣዋህሊለሞ ብዘለዉ ነጥቢ ስሎቬንያዊ ታደጅ ፖጋካር 3246 ነጥቢ ብምውህላላል ኣብ ቅድሚት ክስራዕ እንከሎ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ 1188 ነጥቢ ብምውህላል ኣብ ሻሙናይ ደረጃ ተሰሪዑ ኣሎ። ካብዞም ንኤርትራ ወኪሎም ኣብዚ ንመበል 89 ግዜ ዝካየድ ዘሎ ቻምፕዮና ዓለም ዝሳተፉ ዘለዉ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፡ መርሃዊ ቅዱስ ንሓሙሻይ ግዜኡ ኣብ ቻምፕዮን ዓለም ብምስታፍ ዝለዓለ ተመኵሮ ዘለዎ ክኸውን እንከሎ፡ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር ንራብዓይ ግዜኡ፡ መትከል እዮብ ኸኣ ሳልሳይ ግዜኡ ይሳተፉ ኣለዉ። እቲ ካብ 18 መስከረም ጀሚሩ ንሸሞንተ መዓልታት ጸወታታት ብምክያድ ሰንበት 25 መስከረም ዝዛመም ቻምፕዮን ዓለም፡ 11 ዓይነታት ውድድር፡ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ደቂ ተባዕትዮን ኤሊት ናይ ግዜ ውድድር፡ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ትሕቲ 23 ዓመት ናይ ግዜ ውድድር፡ ናይ ጁንየር ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ናይ ግዜ ውድድር ዘጠቓልል እዩ። ከምኡ’ውን ብደቂ ኣንስትዮን ብደቂ ተባዕትዮን ተሓናፊጹ ዝካየድ ናይ ግዜ ውድድር፡ ናይ ደቂ ተባዕትዮን ናይ ደቂ ኣንስትዮን ኤሊት ናይ ጽርግያ ውድድር፡ ጁንየር ደቂ ኣንስትዮ ናይ ጽርግያ ውድድርን ናይ ደቂ ተባዕትዮ ትሕቲ 23 ዓመት ናይ ጽርግያ ውድድርን’ዩ። 25 መስከረም፡ ዝካየድ ናይ ጽርግያ ውድድር ኤሊት ደቂ ተባዕትዮ፡ 266.9 ኪሎሜትሮ ዝሽፍን ኰይኑ፡ ተቐዳደምቲ 3945 ሜትሮ ብራኸ ክሓዅሩ’ዮም። እዚ ብዩሲኣይ ዝካየድ ቻምፕዮን ዓለም ካብ 1927 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ኰይኑ፡ ብሰንኪ ካልኣይ ኵናት ዓለም፡ ካብ 1939 ክሳብ 1945 ምብኳሩ እንተዘይኰይኑ፡ ዓመታዊ ብዘይ ምቁራጽ ክካየድ ጸኒሑ እዩ። 2021፡ ጁልያን ኣላፒሊፒ [ፈረንሳ] 2020፡ ጁልያን ኣላፒሊፒ [ፈረንሳ] 2019፡ ማድስ ፔደርሶን [ዴንማርክ] 2018፡ ኣሌሳንድሮ ቫልቨርደ [ስጳኛ] 2017፡ ፒተር ሳጋን [ስሎቫክያ] 2016፡ ፒተር ሳጋን [ስሎቫክያ] 2015፡ ፒተር ሳጋን [ስሎቫክያ] 2014፡ ማይክል ክዋትኮወስኪ [ፖላንድ] 2013፡ ርዮ ኮስታ [ፖርትጋል] 2012፡ ፍሊፐ ጂልበርት [ቤልጅም] ቢንያም ግርማይ ኣብዛ ገና ዘይተዛዘመት ዘላ ዓመተ 2022 ኣብ ዝተፈላለየ ውድድራት 53 መዓልታት ውድድራት ብምክያድ 8919 ኪሎሜተር ዘዊሩ፤ ኣብ ዩሲኣይ 1895 ነጥቢ ኣመዝጊቡ ኣሎ። ኣብዚ ዓመት ካብ ዘካየዶ ውድድራት ካብ ዘመዝገቦ ዓወታት እቲ ኣውራ፥ 14 መስከረም ኣብ ቤልጅም ኣብ ዝተኻየደ ግራንድ ፕሪክስ ዲ ዋሎኒ ንቫንደርፖል ተኸቲሉ፡ ካልኣይ 9 መስከርም ኣብ ካናዳ ኣብ ዝተኻየደ ግራንድ ፕሪክስ ሳይክሊስተ ፕሪክስ ዲ ኵቤካ፡ ሳልሳይ 25 ሓምለ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ዋሎይነ፡ ካልኣይ 24 ሰነ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተኻየደ ቻምፕዮን ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር፡ ተዓዋቲ ወርቂ መዳልያ። 17 ግንቦት ኣብ ዓስራይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታል፡ ቀዳማይ ብምውጻእ ቀዳማይ ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ ኣፍሪቃዊ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ውድድር ኣብ ሻሙናይ ሓሙሻይን መድረኽ ሓሙሻይ፡ ኣብ ሻዱሻይ ሳልሳይን መድረኽ ራብዓይ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ካልኣይ ወጺኡ። 27 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ገንት ውቨልገን ቀዳማይ ወጺኡ ኣብ 19 መስከረም ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ትሕቲ 23 ዓመት ደቂ ተባዕትዮ፡ ኖርወጃዊ ሶረን ንውድድሩ ብ34 ደቂቕን 13 ካልኢትን ብምዝዛም ተሸላሚ ወርቂ መዳልያ ክኸውን እንከሎ፡ ቤልጅማዊ ኣሌክ ሰጋረተን ብሪጣንያዊ ልዮ ሃይተርን ካልኣይን ሳልሳይን ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም። ኣብዚ ውድድር ንኤርትራ ወኪሉም ዝተወዳደሩ ኣማኑኤል መሓርን ሳይሞን ተስፋጋብርን ብቕደም ተኸተል መበል 39 ከምኡ’ውን መበል 42 ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም። ኣብ 23 መስከረም፡ ተወዳደርቲ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዘካየድዎ 135.6 ኪሎ ሜተር ኣብ ዝሸፈነ ውድድር ጀርመናዊ ኢሊለ ሄርዛግ ተሸላሚ ወርቂ መዳልያ ክኸውን እንከሎ፡ ፖርቱጋላዊ ኣንቶንዮ ሞርጋዶ ካልኣይ፡ ቤልጅማዊ ቭላድ ቫን መቸሊን ሳልሳይ ወጺኦም። ኣብዚ ውድድር ካብቶም ንኤርትራ ዝወከሉ ሰለስተ ተጻወትቲ፡ ዩኤል ገብረገርግሽ መበል 28፡ ዮናስ ኣብርሃም መበል 60 ክወጽኡ እንከለዉ፡ ኣኽሊሉ ገብረትንሳኤ ግን ውድድሩ ክውድእ ኣይክኣለን። ኣብዚ ውድድር ካብቶም ጸወታ ዝጀመሩ 108 ተቐዳደምቲ እቶም 48 ነቲ ውድድር ክዛዝምዎ ኣይክኣሉን። ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ደቂ ተባዕትዮ፡ እቲ ውድድር 168.9 ኪሎሜተር ዝሸፈነ ኰይኑ፡ ካዛኪስታናዊ የቨገኒ ፈዶሮቭ ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ፡ ወዲ ቸክ ሪፖብሊክ ማትያስ ቫሰክን ኖርወጃዊ ሶረን ዋረንክስጆልድን ካልኣይን ሳልሳይን ወጺኦም። ኣብዚ ውድድር ኤርትራ ብሓሙሽተ ተጻወትቲ፣ ኣማኑኤል መሓሪ፡ ዳኒኤል በርሀ፡ ሚልክያስ ቅዱስ፡ ሳምሳን ሃብተን ሳይሞን ተስፋጋብርን’ያ ተወኪላ። ሓሙሽተኦም ከኣ ነቲ ውድድር ክፍጽምዎ ኣይከኣሉን። ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ካብ ዝተወዳደሩ 132 ተቐዳደምቲ፡ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 62 ተቐዳደምቲ ነቲ ውድድር ክዛዝምዎ ኣይከኣሉን። ኣብ ተመሳሳሊ ውድድር እቶም ንሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ወኪሎም ዝተወዳደሩ ኪያ ሮጎራን፡ ሃይሉ ኣብርሀ ነጋስን’ውን ነቲ ውድድር ኣይዛዘምዎን።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cgr0dr7y1k0o"} {"headline":"ካብ ፖል ፖግባ ገንዘብ ክምንዝዕ ውዲት ኣሊሙ ዝተብሃለ ዓብዪ ሓው ኣብ ቀይዲ ኣትዩ","content":"ካብ ኣከፋፋሊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ጁቬንቱስ ፖል ፖግባ፡ ብምፍርራሕ ገንዘብ ንምውሳድ ውዲት ኣሊሙ ዝተብሃለ ሓዉ ማትያስ ፖግባ ተኸሲሱ። ማትያስ ፖግባ፡ ካብ ሓዉ ኣከፋፋሊ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳን ጁቬንቱስን ገንዘብ ክምንዝዕ ውዲት ወድዩ ብዝብል ክሲ ተኸሲሱን ተኣሲሩን ኣሎ። ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት’ውን ብሰንኪ ምጭብርባርን ገበናዊ ምትሕብባርን ኣብ ትሕቲ ወግዓዊ መርመራ ከምዝርከቡ ምንጭታት ቤት ፍርዲ ንማዕከናት ዜና ሮይተርስን ኤጀንስ ፍራንስ ፕረስን ሓቢሮም። ጠበቓ ማትያስ ፖግባ ያሲን ቡዝሩ ግን፡ ዓሚሉ ንጹህ ምዃኑ እዩ ገሊጹ። ንሱ ንፈረንሳዊ ማዕኸን ዜና 'ቢኤፍኤም' ቲቪ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ \"ነዚ ውሳነ ክንካትዐሉ ኢና\" ኢሉ። ወዲ 32 ዓመት ማትያስ ፖግባ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ብኢንተርነት ዝተዘርግሐን ብዛዕባ ወዲ 29 ዓመት ኣከፋፋሊ ጋንታ ጁቬንቱስ \"ዝቃልዑ ምስጢራት\" ከምዘውጽእ መፈራርሒ መልእክቲ ዘሕለፈን ቪድዮ ኢድ ከምዝነበሮ ተኣሚኑ እዩ። ተጻዋታይ ማንቸስተር ዩናይትድ ነበር ፖል ካብ ዝተወደበ ጕጅለ ወረበላታት ዒላማ ምጭብርባርን ምፍርራሕን ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ፈረንሳ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ምርመራ ከካይዱ ምጅማሮም ይግለፅ። ንሱ ብ16 ሓምለ ናብ ኣኽበርቲ ሕጊ ቱሪን ኣብ ዘቕረቦ ጥርዓን፡ ዒላማ ናይቲ 13 ሚልዮን ዩሮ (11.29 ሚልዮን ፓውንድ) ዝግመት ውዲት ምጽላም ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ። ኣብ 2018 ምስ ፈረንሳ ተዓዋቲት ዋንጫ ዓለም ዝነበረ ፖግባ፡ ካብ ማንቸስተር ዩናይትድ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ኣብዚ ክራማት ብናጻ ዝውውር ናብ ጁቬንቱስ ተሰጋጊሩ'ሎ። ፈረንሳዊ ተጻዋታይ ጋንታ ጁቬንቱስ ፖል ፖግባ፡ ብውዱባት ወረበላታት ዝምታን ምፍርራሕን ይወርዶ ምህላዉ ገሊጹ ነይሩ። እዚ ዉሩይ ተጻዋታይ ማእከል ሜዳ፡ ብመንገዲ ጠበቃታቱ ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ ጉዳይ ናብ ሰብ መዚ ከምዝሓበረ ኣፍሊጡ'ዩ። ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ንገለ ምንጭታቱ ብምጥቃስ፡ ፖሊስ ፈረንሳ ነቲ ጉዳይ ክምርምርዎ ጀሚሮም ምህላዎም ዝገለጽ ዜና ኣቃሊሑ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ንፖል ፖግባ ዓቢ ሓዉ ዝኾነ ማትያስ ፖግባ ብቪድዮ፡ ብዛዕባ ሓዉ [ፖል ፖግባ] “ዓቢ ምቅላዕ” ኢሉ ዝገለጾ ምስጢር ከቃልዕ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ። ማትያስ ፖግባ፡ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ከይሃበ፡ እቲ ብዛዕባ ፖል ፖግባ ከቃልዖ ሓሲቡ ዘሎ ምስጢር ኣዝዩ ተኣፋፊ ምዃኑ ገሊጹ ምንባሩ ይዝክር።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyxn9y7y7dxo"} {"headline":"ካፍ፡ ምእንጋድ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2025 ካብ ጊኒ መንዚዑ","content":"ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ - ካፍ፡ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2025 ንምእንጋድ፡ እቲ ንጊኒ ተዋሂቡ ዝነበረ ዕድል ድሕሪ ምምንዝዑ፡ ከአንግዳ ዝኽእላ ሃገራት ንምዕዳም ጨረታ ክኸፍት ምዃኑን ሞሮኮ ኸኣ ካብተን ዘመልክታ ምዃናን ተፈሊጡ’ሎ። ፕረዚደንትካፍ ፓትሪስ ሞትሰፐ ብዓርቢ ኣብ ኮናክሪ ርእሰ ከተማ ጊኒ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ እቲ 24 ሃገራውያን 24 ዝሳተፋኦ ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ብሰንኪ ሕጽረት መሳለጥያታትን ብግቡእ ክስጕም ዘይከኣለ ትሕተ ቅርጽን ካብ ጊኒ ክእለ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ሞትሰፐምስ መራሕቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ጊኒ ድሕሪ ዘካየዶ ርክብ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ \"እቲ ንጊኒ ዝተመደበ ዕድል ዋንጫ ሃገራት 2025፡ ኣብ ጊኒ ኣይክካየድን'ዩ” ድሕሪ ምባል፡ ጊኒ ገና ድልውቲ ከምዘየላ ገሊጹ። ጊኒነዚ ውድድር’ዚ ከትአንግድ ክትዳሎ ኣስታት ዓሰርተ ዓመት እያ ጸኒሓ። ፈለማ ኣብ 2014 ኣአንጋዲት ዋንጫ ኣፍሪቃ 2023 ተባሂላ ተረቝሓ’ኳ እንተነበረት፡ ጸኒሓ ግን ኣብ 2025 ከተአንግድ ሓቲታ። ኣብዝሓለፈ ድሕሪ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ፡ ጊኒ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ ዝኣተወ ፖለቲካዊ ሃዋሁ ስለዝሰፈና፡ ጸወታታት ኵዕሶ እግሪ ንምእንጋድ ኣብ ጸጥታን ኣወዳድባን ስክፍታታት ፈጢሩ ጸኒሑ እዩ። እንተዀነ፡ዝሓለፈ ነሓሰ፡ ወተሃደራዊ ጁንታ ጊኒ፡ ነቲ ናይ 2025 ውድድር ንምእንጋድ ቃል ብምጽናዕ፡ ገንዘብ ክለቅቕን ተበጻሕነት መሬት ከቀላጥፍን፡ ነቲ \"ሃገራውን ቀዳምነታውን ረብሓ\" ኢሉ ዝሰየሞ ፍጻመ ንዝግበር ምድላዋት ክሕግዝ ምዃኑን ኣፍሊጡ ነይሩ እዩ። \"ውሳነ ካፍኣብ ሓምለ ዝተወሰደ ኰይኑ፡ ኣብዚ እዋን ሓድሽ ጨረታ ንምውጻእ ዘኽእል መስርሕ ከም ዘለና  ብምግላጽ ናብመሰጋገሪ መንግስቲ ጊኒ ተሓቢሩ እነይሩ እዩ\" ክብል ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሞትሰፐ ብዓርቢ ገሊጹ። \"ካፍ ሓድሽጨረታ ክጽውዕ እዩ፤ ምኽንያቱ እቲ ትሕተ ቅርጽን መሳለጥያታትን ጊኒ፡ ካፍ ኣብኡ ጸወታታት ዋንጫ  2025 ከካይድ ዘኽእሎ ስለዘይኮነ፤ እዚ እዩ መሰረት ናይቲ ውሳነ፡\" ኢሉ። እታዝሓለፈ ሓምለ ዋንጫ ኵዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ደቂ ኣንስትዮ ዘአንገደት ሞሮኮ፡ ነቲ ናይ 2025 ውድድር ካፍ ንምእንጋድ ከተመልክት ምዃና ኸኣ ካብ ሮያል ፈደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ሞሮኮ ዝተረኽበ ምንጪ ኣመልኪቱ። ሞትሰፐን ዕላማ ዑደቱ ኣመልኪቱ ከም ዝበሎ፡ ኮንክሪ ዝኸደሉ ካብ ኣኽብሮት ዝተበገሰ ኰይኑ፡ ጊኒ ኣብ መጻኢ ዓበይቲ ፍጻመታት ከተአንግድ እትኽእለሉ ደረጃ ትሕተ ቅርጻ ብኸመይ ከተመሓይሽ ከም እትኽእል ምስ ሰበስልጣን ንምዝታይ ምዃኑ ገሊጹ። በዚ መሰረት፡ ሞትሰፐ፡ ጊኒ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገራቶም ጥራይ ብዝጻወቱ ተጻወቲ ዝካየድ ውድድር ሻምፕዮን ሃገራት ኣፍሪቃ - ቻን - ንምእንጋድ ክተመልክትን ክትዳሎን ከም እትኽእል መኺሩ። ምትብብዐይ ጊኒ ንዋንጫ ሃገራት 2027 ከተአንግድ ቅድሚ ምሕታታ ንቻን 2024 ከተዳሉ ምሕታት ክሕግዛ ይኽእል እዩ፡ ኢሉ። ሚኒስተር ስፖርት ጊኒ ላንሳና በያ ዲያሎ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ሃገሩ ንዋንጫ ኣፍሪቃ 2025 ንምክያድ ዘኽእል ብቑዕ መሳለጥያታት ከምዘይብላ ተኣሚኑ። ዲያሎ፡ \"ሓቂ እዩ፡ ዋንጫ ሃገራት 2025 ከነአንግድ ድሉዋት ምዃንና ንፕረዚደንት ካፍ ከነእምን ዘኽእለና ነገር የለን፡\" ኢሉ።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c6pzp88gvzzo"} {"headline":"ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ኣብ በዅሪ ጸዋታኡ ኣንጻር ሊቨርፑል ሸቶ ኣቝጺሩ","content":"ኒውካስል፡ ብ71 ሚልዮን ዶላር ካብ ስጳኛዊት ክለብ ሪያል ሶሲዳድ ኣብ መሳርዓ ዝጸንበረቶ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ ትማሊ ንመጀመርታ ግዜ ማልያ እታ ጋንታ ለቢሱ ኣብ ኣንፊልድ ኣንጻር ሊቨርፑል ተሰሊፉ ሸቶ ኣመዝጊቡ። ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ሓምሻይ ሰሙን ጸወታታት ፕረሚየርሊግ እንግሊዝ፡ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ኣብ መበል 38 ደቒቕ ካብ ሎንግስታፍ ዝተቐበላ ኩዕሶ ብውሕሉል ቅላዕ ናብ ሸቶ ቀይርዋ። ኒውካስል ክሳብ መበል 61 ደቂቕ መሪሓ ብምጽናሕ፡ ኣጥቃዓይ ሊቨርፑል ሮቤርቶ ፈርሚኖ ካብ ሳላሕ ዝተቐበላ ኵዕሶ፡ ናብ ሸቶ ስለዝቐየራ ጸወታ 1 ን 1 ኰይኑ። ጸወታ ብማዕረ ተዛዚሙ እናተባሃለ ግን ኣብ ተወሳኺ ግዜ፡ ኣብ መበል 98 ደቒቕ፡ ብዅርናዕ ዝተረኽበት ኵዕሶ ፈሬታስ ካርቫሎ ሸቶ ስለዘመዝገባ ጸወታ ብዓወት ሊቨርፑል 2 ብ 1 ተዛዚሙ። ካብ 2019 ክሳብ'ዚ ወርሒ ነሓሰ ምስ ሪያል ሶሲዳድ ብምዃን 105 ግዜ ዝተሰለፈ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ ምስታ ጋንታ ብምዃን 33 ሸቶታት ከመዝግብ ክኢሉ እዩ። ንመጀመርታ ግዜ ምስ ጋንታ ኤኣይከይ ብምዃን 28 ለካቲት 2016 ፕሮፈሽናል ጸወታኡ ዝጀመረ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ኣብ ፈላማይ ጸወታኡ ጋንትኡ ኣብ ልዕሊ ቴንሁልትስ 6 ን 0 ኣብ ዝሰዓረትሉ ሸቶ ከም ዘመዝገበ ይዝከር። ምስ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ካብ 2017 ጀሚሩ ክስለፍ ዝጀመረ ኣሌክሳንደር፡ ንሃገራዊት ጋንታ ሽወደን፡ 37 ግዜ ተሰሊፉ 9 ሸቶታት ኣመዝጊቡ ኣሎ። ኣሌክሳንደር፡ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ትሕቲ 16 ዓመት፡ 8 ጥሪ 2017 ንመጀመርታ ግዜ ኣንጻር ኣይቮሪኮስት ጸወታ ከካይድ እንከሎ፡ 12 ጥሪ ኣንጻር ስሎቫክያ ኣብ ዝተሰለፈሉን፡  ሽወደን 6 ብ 0 ዝሰዓረትሉን ጸወታ ኣብ መበል 19 ደቂቕ ሸቶ ብምምዝጋብ፡ ኣብ ታሪኽ ሽወደን እቲ ዝነኣሰ ንሃገራዊት ጋንታ ሸቶ ዘመዝገበ ተጻዋታይ ክኸውን ክኢሉ’ዩ። ቅድሚ ናብ ሪያል ሶሲዳድ ምስጋሩ፡ ኣብ 2019 ብልቓሕ ናብ ጋንታ ዊለም ብምስግጋር፡ ምስታ ጋንታ ኣብ 16 ጸወታታት ብምስላፍ 13 ሸቶታት ኣመዝጊቡ። ማንቸስተር ሲቲ ኣንጻር ኖቲንግሃም ፎረስት ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ፡ 6 ብ 0 ክትዕወት እንከላ፡ ሃላንድ ኣብ መበል 12፡ 23፡ ከምኡ’ውን 38 ደቒቕ ሸቶታት ኣመዝጊቡ ትማሊ'ውን ሃትሪክ ሰሪሑ። ጸወታታት ፕሪሚየርሊግ ቀድይዎ ዘሎ ሃላንድ ኣብ ሓሙሽተ ጸወታታት ትሽዓተ ሸቶታት ኣመዝጊቡ'ሎ። ኣርጀንቲናዊ ኣጕየሮ ኣብ 2011 ካብ ኣትለቲኮ ማድሪድ ናብ ማንቸስተር ሲቲ ምስ ተሰጋገረ፡ ኣብ ቀዳሞት ሓሙሽተ ጸወታኡ ሽዱሽተ ሸቶታት ከም ዘመዝገበ ዝዝከር ኰይኑ፡ ሃላንድ ነዚ ክብረ ወሰን ብምስባር ኣብ ቅድሚት ተቐሚጡ ኣሎ። ነዚ ዓመት ብጽቡቕ ጀሚራቶ ዘላ ኣርሰናል፡ ትማሊ ንኣስቶንቪላ ኣብ ሜድኣ ዓዲማ ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ ኣብ መበል 30 ደቒቕ ጋብሪኤል ጀሱስ፡ ኣብ መበል 77 ደቒቕ ከኣ ጋብሪኤል ማርቲነሊ ብዘመዝገብወን ሸቶታት ነታ ካብ ዳግላስ ልዊስ ኣብ መበል 74 ደቒቕ ሓንቲ ሸቶ ዝረኸበት ኣስቶን ቪላ 2 ን 1 ብምዓር ኣብ ሓሙሽተ ጸወታታት ሓሙሽተ ዓወታት ብምምዝጋብ ብ15 ነጥቢ ንሰሌዳ ፕረሚየር ሊግ ትመርሖ ኣላ። ኣርሰናል ኣብ ዝስዕብ ሻድሻይ ጸወታኣ፡ 4 መስከረም ናብ ኦልትራፎርድ ብምጋሽ ኣንጻር ማንቸስተር ዩናይትድ ክትገጥም እያ። ታማሊ ዌስት ሃምን ቶተንሃምን ኣብ ዝገበራኦ ጸወታ ማዕረ ብምውጻእ ነጥቢ ተማቒለን። ዛጊት ተኻይዱ ብዘሎ ጸወታታት፡ ማንቸስተር ሲቲ ንኣርሰናል ስዒባ ብ 13 ነጥቢ ካልኣይቲ፡ ቶተንሃም ብ11 ነጥቢ ሳልሰይቲ ብራይተን ብ10 ነጥቢ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ተሲሪዐን ኣለዋ።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c510d3x0w3go"} {"headline":"ኣብ ውድድር ማራቶን ለንደን ዝተዓወቱ ሰለስተ ኢትዮጵያውያን","content":"ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ለንደን (ብሪጣንያ) ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ሰለስተ ኢትዮጵያውያን መዳልያታት ተዓዊቶም። ኣብ ናይ ደቂኣንስትዮ (ኢሊት) ያለምዘርፍ የኋላው ቀዳመይቲ ብምዃን ወርቂ ተሸሊማ። ያለምዘርፍ፡ ኣብ መበል 32 ኪሜ ወዲቓ'ኳ እንተነበረት፡ ሓቦ ሰኒቓ ጉያኣ ብምቕጻል፡ ነቲ ውድድር ብ2 ሰዓት፡ 17 ደቒቕን 26 ካልኢትን ብምውዳእ ዝናኣድ ዓወት ክትጓናጸፍ ኪኢላ። እታ ንፈለማ እዋን ኣብቲ ውድድር ዝተዓወተት ያለምዘርፍ፡ ዝነኣሰት ተዓዋቲት ለንደን ማራቶን ኮይና'ላ። መገርቱ ኣለሙ ብወገና ኣብቲ ውድድር ሳልሳይ ደረጃ ብምውጽኣ ነሓስ መዳልያ ተዓዊታ'ላ። ኬንያዊት ጆሲሊን ጀፕኮስገይ ድማ ካልኣይቲ ኮይና። ኣብ ናይ ደቂተባዕትዮ (ኢሊት) ድማ፡ ኬንያዊ ኣሞጽ ኪፕሩቶ 2 ሰዓት፡ 4 ደቒቕን 39 ካልኢትን ብምምዝጋብ ዕዉት ለንደን ማራቶን 2022 ኮይኑ'ሎ። ኢትዮጵያዊ ልኡል ገብረስላሰ ብወገኑ፡ ካብቲ ኬንያዊ መቐናቕንቱ 33 ካልኢት ድሒሩ ብምእታው ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ብሩር ወሲዱ። በልጂማዊ በሽር ኣብዲ ድማ ሳልሳይ ወጺኡ'ሎ። ኣብቲ ውድድር ቅያ ብምስርሓ ዝተሓጎሰት ያለምዘርፍ የኋላው፡ \"ኣብ ለንደን ማራቶን ብምዕዋተይ ኣዝየ ሕጉስቲ'የ። ነዚ ውድድር ኣብ ዘካየድክዎ ምድላዋት ብትግሃት ሰሪሐ'የ፡ ስለዚ ዓወት ምርካበይ ዘደንቕ'ዩ\" ክትብል ተዛሪባ። ኣብ ታሪኽ ውድድር ማራቶን፡ ካልኣይቲ ዝቐልጠፈ ግዜ ዘመዝገበትን፡ ናይ 10 ኪሜ ክብረወሰን ዝሓዘትን ያለምዘርፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ሃምበርግ (ጀርመን) ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ብምስታፍ ካብቶም ዝቐልጠፈ ግዜ ዘመዝገቡ ብ7ይ ደረጃ ክትስራዕ ኪኢላ ዝነበረት'ያ።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c1v4vv9vrlgo"} {"headline":"ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ብሪጣንያ ኣትዩ ብጉያ ዝነገሰ ሞ ፋራሕ","content":"ሽሙ ቀይሩ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተወ ውሩይ ኣትሌት ሞ ፋራሕ፡ ብጕያ ውሩይ ቅድሚ ምዃኑ ኣብ ሓደ ገዛ ኣገልጋሊ ኰይኑ ይሰርሕ ከምዝነበረ ኣግሂዱ።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1e9y1md38o"} {"headline":"ጠፊኦም ዝተባህሉ ኤርትራውያን ኣትለታት፡ ካልኣይን ሳልሳይን ወጺኦም","content":"ናብ ሎሚ ሰሉስ [02-08-2022] ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፡ ኣብ ኮሎምብያ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት ብናይ 5000 ሜትሮ ጉያ፡ ኢትዮጵያዊ ኣዲሱ ይሁኔ ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ፡ ኤርትራውያን ኣትለታት ካልኣይን ሳልሳይን ሒዞም። እቶም ካልኣይን ሳልሳይን ኰይኖም ዝኣተዉ ኤርትራውያን ኣትሌታት መርሃዊ መብራህቱን ሃብቶም ሳሙኤልን'ዮም። ቀዳማይ ዝወጽአ ኢትዮጵያዊ ኣዲሱ ይሁነ ንዉድድሩ ብ14 ደቒቕ፡ 3 ካልኢትን 5 ንኡስ ካልኢትን ክውድእን ክንከሎ፡ መርሃዊ መብራህቱ ብ14 ደቒቕን 3 ካልኢትን 33 ንኡስ ካልኢትን፡ ሃብቶም ሳመኤል ኸኣ ብ14 ደቒቕ፡ 3 ካልኢትን 67 ንኡስ ካልኢትን ውድድሮም ዛዚሞም። ክልቲኦም ኣትሌታት ንኤርትራ ወኪሎም ኣብ ሻምፒዮና ኣትለቲክስ ዓለም ንምስታፍ ናብ ኣሜሪካ ግዝኣት ኦሪገን ከይዶም ዝነበሩን \"ጠፊኦም\" ካብ መንጐ ዝተባህሉ ሓሙሽተ ኣትለታት እታ ሃገር 'ዮም። ኣብ መበል 18 ሻምፒዮና ኣትለቲክስ ዓለም ንምስታፍ ካብ ዝተላእኩ ጕጅለ ኣትለቲክስ ኤርትራ፡ ናብ ሃገሮም ከይተመልሱ ኣብ ኣሜሪካ ዝተረፉ ኣትለታት ኣለው ዝብሉ ጸብጻባት ወጺኦም ምንባሮም ይዝከር። እንተዀነ፡ ኬፒቲቪ፡ ሪጅስታር-ጋርድን ኬዚን ዝተባህሉ ማዕከናት ዜና እቶም ጠፊኦም ተባሂሎም ዝነበሩ ኣትለታት ከም ዝተረኸቡ ንፖሊስ ዩኒቨርሲቲ ኦሪገን ብምጥቃስ ጸብጺቦም። ብመሰረት ጸብጻብ ማዕከናት ዜና እቲ ከባቢ፡ ፈደሬሽን ኣትሌቲክስ ኤርትራ ኣድራሻ እቶም ኣትለታት ረኺበ ኢሉ ናብ ፖሊስ ዩኒቨርሲቲ ኦሬገን ሪፖርት ገይሩ ኣሎ። ይዅን’ምበር፡ መርበብ ሓበሬታ ፖሊስ ግዝኣት ኦሬገን፡ ሽም እቶም ሓሙሽተ ኤርትራውያን ኣትሌታት ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝርዝር ዝጠፍኡ ውልቀሰባት ኣስፊርዎ ይርከብ። ሓደ ካብቶም ኣብ ኣሜሪካ ጠፊኦም ዝተበሃሉ ኣትሌት የማነ ሃይለስላሰ ድማ፡ ኣካል ዲያመንድ ሊግ ዝዀነ ኣብ ከተማ ሎውዛን ስዊዘርላንድ ኣብ ዝካየድ ውድድር ንምስታፍ ከም ዝኸይድ ሓቢሩ ነይሩ። ቢቢሲ ከኣ ንስዊዘርላንድ ዘእትዎ ቪዛን ኣብቲ ውድድር ንኽሳተፍ ዝቐረበሉ ዕድመን ዝገልጽ ሰነዳት ብምርኣይ ከረጋግጽ ክኢሉ። እቶም ጠፊኦም ዝተበሃሉ፡ ወዲ 44 ዓመት ኣስልጣኒ በርሀ ኣስገዶም፡ ፊሊሞን ዓንደ፡ ሃብቶም ሳሙኤል፡ መርሃዊ መብራህቱን የማነ ሃይለስላሴን እዮም ነይሮም። ነዚ ኣመልኪቱ ምክትል ፕረዚደንት ፈደሬሽን ኣትለቲክስ ኤርትራ ኣቶ ኤፍሬም ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃል መጠይቕ፡ ኣትለታት መርሃዊ መብራህቱን ሃብቶም ሳሙኤልን ናብ ኮሎምብያ እቶም ካልኦት ከኣ ናብ ሃገሮም ከምዝተመልሱ ገሊጹ ነይሩ። ኣብቲ ኣብ ምዕራብ ኮሎምብያ ከተማ ካሊ ካብ 1 ክሳብ 6 ነሓሰ ኣብ ዝካየድ ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት፡ ኤርትራ ብሓሙሽተ ኣትለታት'ያ ተወኪላ ዘላ። መርሃዊ መብራህቱ ኣብ 5000 ሜትሮ፡ ሃብቶም ሳሙኤል ኣብ 3000ን 5000ን ሜትሮ፡ ዳዊት ሰዓረ ኣብ 1500ን 3000ን ሜትሮ፡ ዓብዱረዛቕ ሱሌማን ኣብ 800ን 1500ን ሜትሮ ከምኡ'ውን ፍትሓዊ ዛይድ ኣብ 800 ሜትሮ ዝወዳደሩ እዮም።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/czr3k0vk4rlo"} {"headline":"ማንቸስተር ዩናይትድ ብሊቨርፑል ክድሃኹ’ዮም'- ግምት ተንታኒ ፕሪሜር-ሊግ","content":"ተንታኒ ጸወታታት ፕሪሜር ሊግ ዓዲ-እንግሊዝ ክሪስ ሳተን፡ ኣብቶም ንጽባሕ ቀዳም፡ ሰንበትን ሰኑይን ዝካየዱ ዓሰርተ ጸወታት ዘለዎ ግምት ሂቡሎም ኣሎ። ልዕሊ ዝኾነ ነገር ግን ሊቨርፑል ኣብ ልዕሊ ማንቸስተር ዩናይትድ ዓወት ከምእተመዝግብ ኣፈይ መሊአ’የ ዝዛረብ ይብል። ክሪስ ሳተን፡ ኣብ ሞንጎ ማንቸስተር ዩናይትድን ሊቨርፑልን ዝግበር ጸወታ፡ ማንቸስተር ኣብ ሜድኣ ክንደይ ሸቶታትይ ይምዝገባ ድኣ ንበል’ምበር ከምትስዓርሲ ትሑዝ’ዩ ብሃላይ'ዩ። ቀዳም ቶተንሃምን ዎልቭስን ክገጥማ’የን። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቶተንሃም ምስ ቸልሲ ኣብ ዝገበረዎ ጸወታ ትሑት ብቕዓት ከምዘርኣዩ ዝዛረብ ሳተን፡ ጽባሕ ቀዳም ኣብ ልዕሊ ዎልቭስ 3 ብ 1 ብምስዓር ከምዝርስርሱ ይገልጽ። ክሪስታል ፖላስ ኣንጻር ኣስቶን ቪላ ኣብ እተካይዶ ጸወታ’ውን፡ ፓላስ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣንጻር ሊቨርፑል ዘርኣይዎ ናይ ዓወት ህልኽ ንናይ ጽባሕ ጸወታ ናይ ሞራል ስንቂ ከምዝኾኖም ዝገልጽ እቲ ተንታኒ፡ እቲ ግጥም ብናይ ሓደ ሸቶ ማዕረነት ክዛዘም’ዩ ኢሉ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ዌስትሃም ዓወት ዝተጎናጸፉ ኖቲንግሃም ፎረስት ናብ ኤቨርተን ገይሾም ዘካይድዎ ጸወታ  ቀሊል ኣይክኾነሎም’ዩ። 2 ብ 0 ክስዓሩ’ዩ ግምት ተዋሂብዎም ዘሎ። ክሪስ ሳተን፡ ፉልሃምን ብሬንትፎርድን 1 ን 1 ክፈላለያ ግምት ክህበን እንከሎ ሌሲስተር ሲቲ ንሳውዝሃምፕተን 2 ብ 1 ክትስዕራ እያ ኢሉ። ጽቡቕ ምጅማር ተርኢ ዘላ ኣርሰናል ቀንዲ ምንጪ ዓወታታት ጋብሬኤል ጂሰስ ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ጸወታታት ኣመስኪሩ’ዩ። እንተኾነ ኣንጻር እታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብማንቸስተር ሲቲ ዝተሰዓረት በርንማውዝ ኣብ እትገብሮ ጸወታ፡ 2 ብ 0 ክትስዕር’ኳ ግምት እንተተውሃባ ጋብሬኤል ግን ሸቶ ኣይከመዝግብን'ዩ ክብል ሳተን ተነብዩ'ሎ። ሰንበት ኣብ ዝካየጽ ጸወታ፡ ቸልሲ ኣብ ልዕሊ ሊድስ 3 ን 0 ክትስዕር፡ ዌስትሃምን ብራይተንን ማዕረ 1 ን 1 ክፈላለያ፡ ከምኡ'ውን ኒውካስትል ኣንጻር ማንቸስተር ሲቲ ኣብ እትገብሮ ጸወታ ብዓወት ሲቲ 3 ን 1 ክዛዘም ክሪስ ግምቱ ኣንስፊሩ'ሎ። ሰኑይ ዝካየድ ዝዓበየ ጸወታ ማንቸስተር ዩናይትድን ሊቨርፑልን ከም ቀደም እንተዝኸውን ኣፍካ ማይ ዘምልእ ጸወታ’ዩ ምተብሃለ፡ የግዳስ ንህሉው ብቕዓት እዘን ክልተ ጋንታታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሰብ ነቲ ብዓወት ሊቨርፑል 5 ን 1 ክዛዝም ክሪስ ሳተን ግምት ሂብሉ ዘሎ ጸወታ ምዕዛቡ ኣይክተርፎ'ዩ፡ ብምባል ንተደገፍቲ ማንቸስተር ዩናይትድ ተስፋ ዘቑርጽ ግምት ኣስፊሩ’ሎ ተንታኒ ስፖርት ጸወታታት ፕሪሜርሊግ ዓዲ እንግሊዝ ክሪስ ሳተን።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw0jrldgj21o"} {"headline":"ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝካየድ ውድድር ክትሳተፍ’ያ","content":"ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት፡ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ፈረንሳ ንመበል 58 ግዜ ዝካየድ ቱር ዲ ላቫኒር ክትሳተፍ ምዃና ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ሃገራዊ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣቶ ገብረትንሳኤ ዳምር ንቢቢሲ ገሊጹ። እቲ ውድድር ካብ 18 ክሳብ 28 ነሓሰ ዝካየድ ኮይኑ 10 መድረኻት እዩ ክህልዎ። ዕለት 18 ነሓሰ ብ4 ኪሎሜትር ዝሽፍን ውድድር ‘ፕሪሉደ’ ዝጅምር ውድድር ተቐዳደምቲ ብሓፈሻ ኣብ 10 መድረኻት 1137 ኪሎ ሜትር ብምሽፋን ዕለት 28 ክዛዘም እዩ። ኣብዚ ውድድር ኤርትራ ትርከበን 25 ሃገራውያን ጋንታታትን ክልተ ክለባት ፈረንሳን ክሳተፋ እየን። እዚ ውድድር እተን ናይ መወዳእታ ሰለስተ መድረኻት ተረርቲ ዓቐበታት ዘለወን ኮይኑ ንተጻወትቲ ኣዝዩ ክብድህ ከምዝኽእል ብኣጋ ተገሚቱ ኣሎ። ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ እታ እንኮ ኣብዚ ውድድር ትሳተፍ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ እያ። ኣብዚ ውድድር ሃገራውያን ጋንታታት ጀርመን፤ ኦስትርያ፤ ኣውስትራልያ፤ ቤልጂም፤ ኮሎምብያ፤ ኢጣልያ፤ ካዛኪስታ፤ፈረንሳን፤ ሕቡራት መንግስታ ኣመሪካ፤ካናዳን ዝርከብኣን 25 ሃገራውያን ጋንታታት ክሳተፋ እየን። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዓበይትን ብናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ጸበለል ብምባል ቀዳመይቲ ብምዃን ኣብ ምምራሕ እያ ትርከብ። ኣቶ ገብረትንሳኤ ዳምር፡ ሃገራዊ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣብዚ ውድድር ተጻወትቲ መሪሑ ዝኸይድ ኣሰልጣኒ ከምዘይመረጸ ብምግላጽ፡ ኣሰልጣኒ ምስ ተመዘዘን እቲ ኣሰልጣኒ ተጻወትቲ ምስ መረጸን ዝርዝር ኣስማት ተጻወትቲ ብወግዒ ክሕበር ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጹ። ኤርትራ ኣብ ጂሮ ዲ ኢታሊ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ናይ መድረኽ ዕዉት ክኸውን ዝኸኣለ፡ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ዓመተ 2022 ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ቻምፕዮን ኤርትራ ዝኾነ ንያት ርእሶም፡ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022 ሄኖክ ሙሉብርሃንን ካልኦትን’ውን ኣብ ጽቡቕ ቑመና ዝርከቡ ትሕቲ 23 ዓመቶም ተቐዳደምቲ ኣለውዋ። ኣብ ዓመተ 2021 ኖርወጃዊ ታብያስ ሃላንድ ተዓዋቲ እዚ ውድድር ምንባሩ ይዝከር። ኣብ 1961 ዝጀመረ ቱር ዲ ላቫኒር መድረኻቱ ምስ ቱር ዲ ፈራንስ ዝመሳሰል ኮይኑ፡ ንትሕቲ 23 ዓመት ዕድሚኦም ተቐዳደምቲ ዕድል ንምሃብ ዝካየድ ውድድር እዩ። እዚ ውድድር ተቐዳዳማይ ሕብረት ሶቬት ነበር ሰርጄ ሱኮርቸንኮቭ እቲ እንኮ ኣብዚ ውድድር ክልተ ግዜ ዝተዓወተ ተቐዳዳማይ እዩ። እዚ ተቐዳዳማይ ኣብ 1978 ከምኡ ኸኣ 1979 ተዓዊትሉ። ነዚ ውድድር ተቐዳደምቲ ደጋጊሞም ክዕወትሉ ዘይክእልሉ ምኽንያት ሓያል ብምዃኑን ዕድሚኦም ናብ ልዕሊ 23 ስለዝሰጋገሩን ምዃኑ’ውን ይግለጽ። እዚ ውድድር ብጀካ ኣብ 1975፣ 1991 ከምኡ ኸኣ ኣብ 2020 ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝሰዓበ ምስንኻል ካብ 1961 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ብዘይምቁራጽ እዩ ዝካየድ ዘሎ። እዚ ውድድር ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ሽሙን ሕጋጋቱን ክቐያይር ድሕሪ ምጽናሕ ካብ 2007 ጀሚሩ ግን ትሕቲ 23 ዓመቶም ጥራይ ዝወዳደርሉ ውድድር ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ኣብ 2019 ንቱር ዲ ፍራንስ ኣብ 2021  ኸኣ ንጂሮ ዲ ኢታሊ ዝተዓወተሉ ኮሎምብያዊ  ኢጋን በርናል ኣብ 2017 ንቱር ዲ ላቫኒር ተዓዊትሉ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cnl84djp0jdo"} {"headline":"ሃገራዊት ጋንታ ብሽክለታ ኤርትራ ናብ ፈረንሳ ኣቕኒዓ","content":"ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት፡ 6 ተቐዳደምቲ ሓቚፋ ኣብቲ ካብ 18 ክሳብ 28 ነሓሰ ኣብ ፈረንሳ ንመበል 58 ግዜ ዝካየድ ቱር ዲ ላቫኒር ንምስታፍ ናብ ኣውሮጳ ኣቕኒዓ ኣላ። ብኣሰልጣኒኣ ሙሴ ኣስሄል እትእለ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ትሕቲ 23 ዓመት፡ ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ተሸለምቲ ወርቅን ብሩር መዳልያን ዝኾኑ ንያት ርእሶምን ሚልክያስ ቅዱስን፡ ከምኡ ኸኣ ሴላ ወልደሚካኤልን ካብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ከምኡ'ውን ምሰ ጋንታ ኩቤካ ዝወዳደሩ ኤፍሬም ገብረህይወትን ናሆም ዘርኣይን  ምስ ፕሮ ታች ኮንቲነንታል ቲም ዝቐዳደም መሓሪ ተወልደ ኸኣ ኣብ ደገ ካብ ዝጻወቱ ተጻወትቲ ወሲኻ፡ ኤርትራ ብሓፈሻ ብ6 ተቐዳደምቲ ክትወዳደር እያ። ንያት ርእሶምን [ሓዉ ንገዲም ተቐዳዳማይ ሜሮን ርእሶም] ሴላ ወልደሚካኤልን ኣባላት ክለብ ቴሌ ክኾኑ እንከለዉ ሚልክያስ ቅዱስ [ሓዉ ንፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ] ኣባል ጋንታ ኣስቤኮ እዩ። ኣብቲ ብዕለት 18 ነሓሰ 4 ኪሎሜትር ብዝሽፍን መፈለሚ ‘ፕሪሉድ’ ዝጅምር ውድድር ተቐዳደምቲ ብሓፈሻ ኣብ 10 መድረኻት 1137 ኪሎ ሜትር ብምሽፋን ዕለት 28 ክዛዘም እዩ። ኣብዚ ውድድር ኤርትራ ትርከበን 24 ሃገራውያን ጋንታታትን ሰለስተ ክለባት ፈረንሳን ክሳተፋ እየን። እዚ ውድድር እተን ናይ መወዳእታ ሰለስተ መድረኻት ተረርቲ ዓቐበት ዘለወን ኮይኑ ንተጻወትቲ ኣዝዩ ክብድህ ከምዝኽእል ብኣጋ ተገሚቱ ኣሎ። ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ እታ እንኮ ኣብዚ ውድድር ትሳተፍ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ እያ። ኣብዚ ውድድር ሃገራውያን ጋንታታት ጀርመን፤ ኦስትርያ፣ ኣውስትራልያ፣ ቤልጂም፣ ኮሎምብያ፣ ኢጣልያ፣ ካዛኪስታ፣ ፈረንሳን፣ ሕቡራት መንግስታ ኣመሪካ፣ ካናዳን ዝርከብኣን 24 ሃገራውያን ጋንታታት ክሳተፋ እየን። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዓበይትን ብናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ጸብለል ብምባል ቀዳመይቲ ብምዃን ኣብ ምምራሕ ትርከብ'ያ። ኣብ 1961 ዝጀመረ ቱር ዲ ላቫኒር መድረኻቱ ምስ ቱር ዲ ፈራንስ ዝመሳሰል ኮይኑ፡ ንትሕቲ 23 ዓመት ዕድሚኦም ተቐዳደምቲ ዕድል ንምሃብ ዝካየድ ውድድር እዩ። ተቐዳዳማይ ሕብረት ሶቬት ነበር ሰርጄ ሱኮርቸንኮቭ እቲ እንኮ ኣብዚ ውድድር ክልተ ግዜ ዝተዓወተ ምዃኑ ሰነዳት ይሕብሩ። እዚ ተቐዳዳማይ ኣብ 1978 ከምኡ ኸኣ 1979 ነቲ ውድድር ከምዝተወተሉ ይፍለጥ። ኣብ 2019 ንቱር ዲ ፍራንስ፣ ኣብ 2021ኸኣ ንጂሮ ዲ ኢታሊ ዝተዓወተሉ ኮሎምብያዊ  ኢጋን በርናል ኣብ 2017 ንቱር ዲ ላቫኒር ተዓዊትሉ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw5e2v9rkndo"} {"headline":"ጉዳፍ ጸጋይ ኣብ 5 ሽሕ ሜትሮ ተዓዋቲት ወርቂ ሜዳሊያ ኰይና","content":"ኣብ ኣሜሪካ ኦሪጎን ኣብ ዝተኻየደ መበል 18 ሻምፒዮን ኣትለቲክስ ዓለም፡ ብደቂ ኣንስትዮ ናይ 5 ሽሕ ሜትሮ ናይ ፍጻመ ውድድር፡ ጉዳፍ ጸጋይ ቀዳመይቲ ብምውጻእ ተዓዋቲት ወርቂ መዳልያ ኰይና። ኢትዮጲያ፡ ዓወት ጉዳፍ ጸጋይ ተወሲኽዎ፡ ኣብቲ ሻምፒዮና ኣትለቲክስ ዓለም ዝረኸበቶ ቍጽሪ ወርቂ ሜዳልያታት 4 በጺሑ ኣሎ። ኣብዚ ሓያል ምትህልላኽ ዝነበሮ ውድድር፡ ጉዳፍ 14 ደቂቕ፡ 46 ካልኢትን 29ንኡስ ካልኢትን ብምዝዛም'ያ ተዓዋቲት ወርቂ ሜዳልያ ክትከውን ክኢላ። ኬንያዊት ቢትሪስ ቺቤት ካልአይቲ ኰይና ነቲ ውድድር ዛዚማ። ኢትዮጵያዊት ዳዊት ስዩም ድማ ሳልሰይቲ ኰይና ብምዝዛም ተዓዋቲት ነሓስ ሜዳልያ ክትከውን በቒዓ'ላ። ጉዳፍ ጸጋይ ንኽትዕወት ዓቢ ግደ ዝተጻወተት ኣትለት ለተሰንበት ግደይ ሓምሸይቲ ኰይና ወዲኣ። ለተሰንበት ኣብዚ ኣብ ኦሪጎን ዝተኻየደ ሻምፒዮና ኣትለቲክስ ዓለም ኣብ 10 ሽሕ ሜትሮ ተዓዋቲት ወርቂ መዳልያ ምዃና ይዝከር። ኣብቲ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ዝተኻየደ ናይ 5 ሽሕ ውድድር፡ እተን ናይ መወዳእታ 100 ሜትሮ ክሳዕ ዝተርፋ መን ከም ትስዕር ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ዝዀነሉ ውድድር እዩ ነይሩ። ኣብ ውድድር 1500 ሜትሮ ተመኵሮ ዝጸንሓ ጉዳፍ፡ ነቲ ንሕንሕ ዓብሊላ ኣብ መወዳእታ ክትዕወት ክኢላ። ጉዳፍ፡ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ገዛ ውሽጢ ናይ 1500 ሜትሮ ውድድር ክብረወሰን ከም ዝሰበረት ይዝከር። ድሕሪ እቲ ውድድር ጉዳፍ፡ “ብሰንኪ መጉዳእቲ ኦሎምፒክ ቶክዮ ኣዝዩ ዝኸበደ ነይሩ” ከም ዝበለት ወርልድ ኣትለቲክስ ይሕብር። “ን1500 ሜትሮ'የ ክዳሎ ጸኒሐ። ስለዝዀነ ድማ ኣብተን ናይ መወዳእታ ሜትሮታት ብፍጥነት ክጐዪ ሓጊዙኒ እዩ። ሲፋን ኣመና ሓያልን 1500 ሜተር ትጐዪ ኣትለት ከምዝዀነት እፈልጥ እየ። ስለዚ ንሳ'ውን ፍጥነት ኣለዋ። ንሳ ኽትቅድም ከላ ኣነ ፍጥነት ወሲኸ ሜዳልያ ክረክብ ክኢለ ኣለኹ” ኢላ። ዳዊት ብወገና፡ ድሕሪ ናይ ዓመታት መጕዳእቲ እያ ናብ ዓወት ተመሊሳ ዘላ። “ተዓዊተ ናብ መድረኽ ክወጽእ ተስፋ ነይሩኒ” ትብል ዳዊት። “ብሰንኪ መጕዳእቲ ንሓሙሽተ ዓመታት ክቃለስ ጸኒሐ እየ። ስለዚ እዚ ዓወት ንዓይ ፍሉይ እዩ” ኢላ። ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ኣርባዕተ ወርቂ፡ ኣርባዕተ ብሩርን ክልተ ነሓስን ረኺባ። እቲ ኣብ ኦሪጎን ክካየድ ዝቐነየ ሻምፒዮና ኣትለቲክስ ዓለም፡ ሎሚ ክዛዘም እዩ።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crg36rl8my4o"} {"headline":"“እዞም ተጻወትቲ ብፕሮፈሽናላት ጋንታታት ጠመተ ንኽረኽቡ ክንሰርሕ ኢና” ኣሰልጣኒ ሙሴ ኣስሄል","content":"ሎሚ ኣብ ዝጅመር ንመበል 58 ግዜ ዝካየድ ዘሎ ቱር ዲ ላቫኔር ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ትሕቲ 23 ዓመት እታ እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገራዊት ኮይና ትሳተፍ ኣላ። ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሙሴ ኣስሄል ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝገበሮ ሓጺር ቃለ መሕተት፡ እዛ ብሽዱሽተ ተጻወትቲ ዝቖመት ሃገራዊት ጋንታ፡ ነዚ ውድድር እኹል ምድላዋት ገይራ ከምዘላ ገሊጹ። ሙሴ ኣስሄል ን20 መዓልታት ኣብ ኤርትራ ምድላዋት ክካይዱ ከምዝጸንሑ ብምሕባር፡ ኩሎም ተጻወትቲ ኣብ ጽቡቕ ኣቓውማ ከምዘለዉ ገሊጹ። እታ ብኣሰልጣኒ ሙሴ ኣስሄል እትእለ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ትሕቲ 23 ዓመት፡ ኣብ ቻምፕዮን ኤርትራ፡ ተሸለምቲ ወርቅን ብሩር መዳልያን ዝኾኑ ተቐዳደምቲ ሓቒፋ’ያ ናብ ፈረንደሳ ኣምሪሓ። ተሸለምቲ ወርቅን ብሩርን መዳልያ ቻምፕዮን ኤርትራ ትሕቲ 23 ዓመት፡ ንያት ርእሶምን ሚልክያስ ቅዱስን፡ ከምኡ ኸኣ ሴላ ወልደሚካኤልን ካብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ከምኡ'ውን ምሰ ጋንታ ኩቤካ ዝወዳደሩ ኤፍሬም ገብረህይወትን ናሆም ዘርኣይን  ምስ ፕሮ ታች ኮንቲነንታል ቲም ዝቐዳደም መሓሪ ተወልደ ኸኣ ኣብ ደገ ካብ ዝወዳደሩ ተጻወትቲ ወሲኻ፡ ብሓፈሻ ብ6 ተቐዳደምቲ ክትውከል እያ። ኣሰልጣኒ ሙሴ ኣስሄል፡ እቶም ምስ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ኩቤካ ክወዳደሩ ዝጸነሑ ገብረህይወትን ናሆም ዘርኣይን ካብ ትማሊ ጀሚሮም ተጸንቢረሞም ከምዘለዉ ኣብሪሁ። ንያት ርእሶምን [ሓዉ ንገዲም ተቐዳዳማይ ሜሮን ርእሶም] ሴላ ወልደሚካኤልን ኣባላት ክለብ ቴሌ ክኾኑ እንከለዉ ሚልክያስ ቅዱስ [ሓዉ ንፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ] ኣባል ጋንታ ኣስቤኮ እዩ። ሎሚ ብናይ 4 ኪሎሜትር ‘ፕሮሎግ’ ዝጅምር ውድድር ቱ ላቫኔር ተቐዳደምቲ ብሓፈሻ ኣብ 10 መድረኻት 1137 ኪሎ ሜትር ብምሽፋን ዕለት 28 ክዛዘም እዩ። ኣሰልጣኒ ሙሴ “ኣብዚ ውድድር ልዕሊ ዝኾነ ነገር ንሰርሓሉ፡ እዞም ሒዝናዮም ዘለና ተቐዳደምቲ ከመይ ኢሎም ብፕሮፈሽናላት ጋንታታት ጠመተ ረኺቦም ካብ 2023 ምስ ፕሮፈሽናላት ጋንታታት ይጥርነፉ” ዝብል ምዃኑ ገሊጹ። ዓመታዊ ኣብ ካሜሮን ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ውድድራት ይካየድ እዩ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብቲ ውድድር ክልተ ግዜ ቀዳመይቲ ስለዝወጽአት ኣብ 2009 ከምኡ ኸኣ ኣብ 2012 ኣብ ቱር ዲ ላቫኔር ዘሳትፋ ትኬት ክትረክብ ክኢላ ምንባራ ይዝከር። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግን ዙር ካሜሮን ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ስለዘይተኻደ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብሓፈሻ ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ብዘመዝገበቶ ነጥቢ’ያ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ቱር ዲ ላቫኔር ትሳተፍ ዘላ። ኤርትራ ኣብ 2009 ብዳንኤል ተኽለሃይማኖት ክትውከል እንከላ፡ ኣብ 2012 ናትናኤል ብርሃነ፤ኤልያስ ኣፈወርቂ፤ሜሮን ኣማንኤል፤መኽሰብ ደበሳይ፤ተስፎም ዑቕባማርያምን እቶም ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብምውካል ኣብ ቱር ላቫኔር ዝተሳተፉ እዮም። መርሃዊ ቅዱስ'ውን ኣብ 2013 ምስ ናይ ዩሲኣይ ጋንታ ብምዃን ኣብዚ ውድድር ተሳቲፉ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ኣሰልጣኒ ሜሴ ኣስሄል “ካብ ኣፍሪቃ ብደረጃ ሃገራዊት ጋንታ ንሕና ጥራይ ንሳተፍ ስለዘለና፡ እቲ ዝስምዓና ሓላፍነት ከቢድ እዩ፡ ንደገፍትና፤ ንሃገርናን ንኣፍሪቃን ዘኹርዕ ጽቡቕ ውጽኢት ከነመዝግን ብዓል ምሉእ ተስፋ’የ” ኢሉ። ኣብዚ ውድድር ኤርትራ ትርከበን 24 ሃገራውያን ጋንታታትን ሓንቲ ናይ ዩሲኣይን ክለብን ክልተ ክለባት ፈረንሳን ክሳተፋ እየን። ምስታ ብዩሲኣይ ዝቖመት ጋንታ ሴንተር ሞንድያል ዲ ሳይክሊስም፡ ኢትዮጵያውያን ሓጎስ በርሀ፤ ኪያ ሮጋራን ነጋሲ ሃይሉ ኣብርሀን፤ ኣልጀርያዊ ሓምዛ ናሚር፤ ርዋንዳዊ ኤሪክ ሙሃዛን ደቡብ ኣፍሪቃዊ ትራቪስ ስተድማንን’ውን ይሳተፉ ኣለዉ። እዚ ውድድር እተን ናይ መወዳእታ ሰለስተ መድረኻት ተረርቲ ዓቐበት ዘለወን ኮይኑ ንተጻወትቲ ኣዝዩ ክብድህ ከምዝኽእል ብኣጋ ተገሚቱ ኣሎ። ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ እታ እንኮ ኣብዚ ውድድር ትሳተፍ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ እያ። ኣብዚ ውድድር ሃገራውያን ጋንታታት ጀርመን፤ ኦስትርያ፣ ኣውስትራልያ፣ ቤልጂም፣ ኮሎምብያ፣ ኢጣልያ፣ ካዛኪስታ፣ ፈረንሳን፣ ሕቡራት መንግስታ ኣመሪካ፣ ካናዳን ዝርከብኣን 24 ሃገራውያን ጋንታታት ክሳተፋ እየን። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዓበይትን ብናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ጸብለል ብምባል ቀዳመይቲ ብምዃን ኣብ ምምራሕ ትርከብ'ያ። ኣብ 1961 ዝጀመረ ቱር ዲ ላቫኔር መድረኻቱ ምስ ቱር ዲ ፈራንስ ዝመሳሰል ኮይኑ፡ ንትሕቲ 23 ዓመት ዕድሚኦም ተቐዳደምቲ ዕድል ንምሃብ ዝካየድ ውድድር እዩ። ተቐዳዳማይ ሕብረት ሶቬት ነበር ሰርጄ ሱኮርቸንኮቭ እቲ እንኮ ኣብዚ ውድድር ክልተ ግዜ ዝተዓወተ ምዃኑ ሰነዳት ይሕብሩ","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72qg407wqko"} {"headline":"ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ዝግበር ፅዑቕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ብቑዓት ክንኸውን የኽእለና - መፅናዕቲ","content":"ኣብ ቀዳመ ሰንበት ፅዕቕ ዝበለ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር ማዕረ'ቲ ኣብ ምሉእ ሰሙን ዝግበር ምንቅስቓስ ጠቓሚ ምዃኑ ሓደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ተመራመርቲ ኣሜሪካ እቶም ኣብ መዛዘሚ ሰሙን ክብድ ዝበለ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝገብሩ ክሳብ ክንደይ ጽቡቕ ውጽኢት ከምዘመዝገቡ ንምፍላጥ ኣብ 350 ሽሕ ሰባት ን10 ዓመታት ክትትል ክገብሩ ፀኒሖም ኣለዉ። እቲ ኣብ መጽሔት ጃማ ኢንተርናል ሜዲሲን ዝተሓትመ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ እቲ ዘገድስ፡ ዓይነታት እትገብሮ ምንቅስቓስን ንኽንደይ ሰዓታትን እምበር ንኽንደይ መዓልታት ከምዘይኮነ የረድእ። ኣብ ሰሙን ብዉሑዱ 150 ደቓይቕ ማእከላይ ፃዕቒ ዘለዎ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር ይምከር። ቅልጣፈ ዘለዎ ጉዕዞ እግሪ ምግባር፣ ብብሽክለታ ቀሊል ዑደት ምክያድ ወይ ቴኒስ ምጽዋት ኣብዚ ዝጥርነፉ እዮም። ወይ ድማ ን75 ደቓይቕ ዝኣክል ከም ጉያ፣ ምሕንባስ ወይ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ዝኣመሰሉ ብርቱዕ ንጥፈታት ክተካይድ ትኽእል ኢኻ ይብሉ ክኢላታት ጥዕና። ካብቶም ኣብቲ ናይ ኣሜሪካ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ እቶም ዝበዝሑ፡ ነዚ መጠን ናብ ምሉእ ሰሙን መቓቒሎም’ዮም ዝነጥፉ። ገሊኦም ግን ኣብ ክንዲ ዝመቓቕልዎ ኣብ ሓደ ወይ ክልተ ክፍለ ግዜ ኣፅዒቖም ይፍጽምዎ። እቶም ነቲ ኣብ ሰሙን ዝምከር መጠን ምንቅስቓስ ኣብ መላእ ሰሙን ይኹን ኣብ ቀዳመ ሰንበት ዝፍጽሙ፡ ካብ’ቶም ካብቲ ዝምከር መጠን ንታሕቲ ምንቅስቓስ ዝገብሩ፡ ዝወሓደ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጥሞም ጠቒሱ። ናብ ጎቦታት ዝግበር ጉዕዞ እግሪ እውን ንሸቶታት ምንቅስቓስ ኣካላት ንምብጻሕ ጽቡቕ መገዲ ተባሂሉ ይውሰድ። ብዘይካ’ዚ ሰባት ዝኾነ ኣካላዊ ምንቅስቓስ መዓልታዊ ከካይዱ ከምዝግባእን ንዝተናውሐ ሰዓታት ኮፍ ክብሉ ከምዘይምከርን ሃገራዊኣገልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ ይሕብር። እቶም ንሰብነትና ከደልድሉ ዝኽእሉ ዓይነታት ምንቅስቓስ ከኣ ከም ዮጋ፣ ፒላቲዝን ጀርዲን ናይ ምክንኻን ንጥፈታትን ዝኣመሰሉ እዮም። ነቲ ዝምከር ደረጃታት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንምዕዋት ክሕግዝ ዝኽእል ኣዝዩ ብርቱዕ ንጥፈታት፡ ብሓጺርን ርሱንን ፃዕቒ ክፍጸም ዝኽእልን ኮይኑ፡ ኣብ ፋውንዴሽን ልቢ ብሪጣንያ ላዕለወይቲ ነርስ ልቢ፡ ጆኣን ዊትሞር፡ \"እዚ ሰፊሕ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ መዓስ ኢኻ ተካይዶ ዝብል ብዙሕ ዘተሓሳስብ ጉዳይ ኣይኮነን\" ትብል። እቲ ኣገዳሲ ነገር፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምክያድ'ዩ ክትብል እውን ወሲኻ ትምዕድ። ንሳ ከምእትብሎ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንጥዕናኻ ከማሓይሽ ይኽእል'ዩ። ናይ ልብን ስርዓተ ደምን ሕማማት ከምኡ ድማ ከም ወቕዒ ልብን ወቕዒን ዝኣመሰሉ ሕማማት ከጉድል ይኽእል'ዩ።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4nwxll4z97o"} {"headline":"ቢንያም ግርማይ፡ ሎሚ ኣብ ዝዛዘም ዙር ዋሎነ ናይ ነጥቢ ማልያ ንምውሳድ ክወዳደር’ዩ","content":"ቢንያም ግርማይ፡ ኣብቲ ሎሚ ዝካየድ ሓሙሻይን ናይ መወዳእታን መድረኽ ዙር ዋሎነ - ቤልጂየም፡ ምስቲ ብ28 ነጥቢ ቀዳማይ ዘሎ ተቐዳዳማይ ትሬክ ስጋፍረዶ ጀንሰን ማትያስ ብማዕረ ነጥቢ ኣብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዑ’ዩ ውድድሩ ከካይድ። ተቐዳዳማይ ጋንታ ኢንተርማርች ዋንቲ ጎበርት ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ሳልሳይን ራብዓይን መድረኻት ብዘመዝገቦ ውጽኢት’ዩ ብነጥቢ ንዝተዓወተ እትውሃብ ቀጠልያ ማልያ ንምውሳድ ምስ ቀዳማይ ክመዓራረ ክኢሉ ዘሎ። ቢንያም፡ ካብ ቪዝ ተበጊሱ ኣብ ሮክፎር ኣብ ዝተዛዘመ 195.6 ኪሎሜተር ዝሸፈነ ሳልሳይ መድረኽ፡ ንቤልጂማዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ሎቶ ሳውዳል ዲ ኣርኖድ ተኸቲሉ ካልኣይ ኰይኑ ብምእታዉ'ዩ 20 ነጥቢ ክረክብ ክኢሉ። ትማሊ ኣብ ዝተኻደ 200.9 ኪሎሜተር ዝሸፈነ ራብዓይ መድረኸ’ውን ቢንያም ነቶም ሃዲሞም ዝነበሩ ኣርባዕተ ተቐዳደምቲ ንምርካብ፡ ነታ ዓባይ ጕጅለ ንነዊሕ ኪሎሜተራት ብምስሓብ ግዜ ከይከሰረ ካብታ ካልኣይቲ ዓባይ ጕጅለ ቀዳማይ ብምውጻእ፡ ውድድሩ ሓሙሻይ ኰይኑ ዛዚሙ። ኣብ ራብዓይ መድረኽ 8 ነጥቢ ክርክብ ዝኸኣለ ቢንያም፡ ነጥቡ ናብ 28 ክብ ብምባል፡ ምስቲ ኣብ ራብዓይ መድረኽ ራብዓይ ኰይኑ ዝኣተወ ጀነስ ማትያስ፡ ብማዕረ 28 ነጥቢ [ብመዓልቲ ተበሊጹ] ኣብ ካልኣይ ደረጃ ክስራዕ ክኢሉ። ኣብ ብጫ ማልያ ተቐዳዳማይ ጋንታ ኣልፔሲን ኣውስትራልያዊ ስታናርድ ሮበርት ቀዳማይ ክኸውን እንከሎ፡ ወዲ ጋንታኡ ንቢንያም ቪልጀን ሎይክ ብ4 ካልኢት ተፈንቲቱ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዑ ኣሎ። ኣብዚ ውድድር ንብጫ ማልያ'ውን፡ እቲ ኣብ መበል 14 ተሰሪዑ ዘሎ’ውን ካብቲ ቀዳማይ ዘሎ ናይ 52 ካልኢት ጥራይ ፍልልይ ስለዘለዎ፡ ሎሚ ኣብ ዝዛዘም ዙር ዋሎነ ንብጫ ማልያ መን ክዕወተላ ይኽእል ንምግማት ዘሸግር እዩ። ቢንያም ኣብ ብጫ ማልያ ካብ ቀዳማይ ብ8 ደቒቕን 35 ካልኢትን ድሒሩ ኣብ መበል 25 ክስራዕ እንከሎ፡ ኣብቲ ንመንእሰይ እትውሃብ ጻዕዳ ማልያ ዝግበር ውድድር’ውን ካብ ቀዳማይ ብ8 ደቒቕን 35 ካልኢትን ድሒሩ ኣብ ታሽዓይ ተሰሪዑ ኣሎ። በዚ መሰረት፡ ቢንያም ሎሚ ኣብ ዝካየድ ሓሙሻይን ናይ መወዳእታን መድረኽ፡ ናይ ነጥቢ ማልያ ንምውሳድ’ዩ ክወዳደር። ሓሙሻይ መድረኽ ዙር ዋሎኒ እታ ዝነወሐት መድረኽ ኰይና፡ ተቐዳደምቲ 214.8 ኪሎ ሜተር ክዝውሩ’ዮም። ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ግንቦት ኣብ ዓስራይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታልያ ቀዳማይ ወጺኡ፣ ዓወቱ ኣብ ዝጽንብለሉ ዝነበረ ኣጋጣሚ ዓይኑ ተሃሪሙ ካብቲ ውድድር ድሕሪ ምእላዩ፡ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ጋንታኡ ተሰሊፉ ኣብዚ ውድድር ዝሳተፍ ዘሎ። ቢንያም ግርማይ ኣብ ጂሮ ዲ ኢታልያ፡ ክሳብ'ቲ ብሰንኪ ማህረምቲ ዓይኑ ካብ ጸወታ ዝተኣለየሉ ዓሰርተ መድረኻት፣ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ካልኣይ፡ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ራብዓይ፡ ኣብ ሓምሻይ መድረኽ ሓምሻይ፡ ኣብ ሻድሻይ መድረኽ ራብዓይ፡ ኣብ ሻምናይ መድረኽ ሓምሻይ ኣብ ዓስራይ መድረኽ ከኣ ቀዳማይ ምውጽኡ ይዝከር። ቢንያም፡ በቲ ኣብ ዓስራይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታልያ ዘመዝገቦ ናይ መድረኽ ዓወት፡ ኣብ ግራንድ ቱር ዝተዓወተ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ክኸውን ክኢሉ’ዩ። ንሱ፡ ኣብ ሻምፕዮን ኤርትራ 2022 ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ቀዳማይ ብምውጻእ ተዓዋቲ ወርቂ መዳልያ ኰይኑ እዩ። በዚ መሰረት፡ ክሳብ ዝመጽእ ዓመት ሻምፕዮን ኤርትራ ዝካየድ፡ ቢንያም ግርማይ ምስ ጋንታኡ ኰይኑ ኣብ ዘካይዶ ናይ ግዜ ውድድራት፡ ብብንዴራ ኤርትራ ዝወቐበት ማልያ ለቢሱ’ዩ ውድደራቱ ከካይድ።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2415nvlywo"} {"headline":"ሰላም ኰይኑ፡ ኣቦይን ኣደይን’ውን ክሕጎሱ እምነ' - ኣትሌት ጎይተቶም ገብረስላሰ","content":"ኣትሌት ጎይተቶም ገብረስላሰ፡ ኣብቲ ትማሊ ኣማስዩ ኣብ ኦሪገን ኣሜሪካ ኣብ ዝተኻየደ መበል 18 ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ዓለም ክብረወሰን ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ብምስባር ወርቂ ድሕሪ ምዕታራ፡ ኩሉ ነገር ሰላም ክኸውንን ወለዳ’ውን ክሕጎሱ ከምእትደሊ ተዛሪባ። ንሳ ንምስጢር ዓወታ ኣመልኪታ ንቢቢሲ ስፖርት ኣብ ዘሃበቶ ቃል፡ “መግለጺ የብለይን። ኩሉ ነገር ሰላም ኮይኑ፡ ከምቲ ኣነ ዝተሓጎስክዎ፡ ኣደይን ኣቦይን’ውን ክሕጎሱ እየ ዝመነ” ምስ በለት፡ ንብዓት ቀዲምዋ። እታ ኣትለት ከምኡ ዝበለት፡ እቲ ዓወት እንታይ ስምዒት ከምዝፈጥረላን ተሓቲታ ኣብ ዝተዛረበትሉ ኣጋጣሚ እዩ። ኣብመወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተዘርግሐ ደማዊ ኲናት ሰፊሕ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ከም ዝሞቱን፡ ሚልዮናት ዜጋታት ካብ መረበቶም ከም ዝተመዛበሉን ጸብጻበት ይሕብሩ። እታ ኣትለት ኣብ ከባቢ ዓዲ ጉደም ክልል ትግራይ ዝተወልደት ኰይና፡ እታ ክልል ብሰንኪ እቲ ኲናት ንዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዝተቓልዐት ይግለጽ። ኣብ ጋንታ ኣትሌታት መስፍን ኢንዳስትርያል ተሐቚፋ እትስልጥን ዝነበረት ጓል 27 ዓመት ጎይተቶም፡ 2 ሰዓትን 18 ደቒቕን 11 ካልኢትን ብምምዝጋብ ንፍልጥቲ ኬንያዊት ኣትለት ጁዲት ኮሪር ረቲዓታ። ብተወሳኺ፡ እዛ ኣትለት ቅድሚ ሕዚ ብሪጣንያዊት ፓውላ ራድክሊፍ ሒዛቶ ንዝነበረት ክብረወሰን ሻምፕዮን ዓለም ብምምሕያሽ ሓዱሽ ክብረወሰን ግዜ ኣመዝጊባ። ጎይተቶምን ኬንያዊት ጁዲትን ክልቲአን ዝበለጸ ግዜአን እየን ኣመዝጊበን። ካልእ ተወላዲት ኬንያ ዝኾነት እስራኤላዊት ሎና ሳልፕተር 2 ሰዓታትን 20 ደቓይቕን 18 ካልኢትን ብምምዝጋብ ነሓስ መዳልያ ረኺባ። \"ኣብ መበል 40 ኪሎሜተር ምስ በጻሕኩ፡ ንቕድሚት ወጺአ ከምልጥ መደብ ነይሩኒ። ነዚ ስትራተጂ ብምጥቃም እየ ወርቂ ከምጽእ ክኢለ\" ትብል። \"እቲ ቀንዲ ነገር ኣበርቲዕካ ምስራሕ እዩ። ኣብ ሃገረይ ከለኹ ኣበርቲዐ እየ ዝሰርሕ ነይረ። ብርግጽ ኬንያውያን ተረርቲ ምዃኖም እፈልጥ እየ። ይኹን እምበር ኣብ መወዳእታ ብልዑል ፍጥነት ናይ ምጉያይ ክእለት ስለዘለኒ፡ ከምኡ ገይረ እየ ተዓዊተ” ኢላ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኤርትራዊት ናዝሬት ወልዱም 2 ሰዓትን 20 ደቒቕን 29 ካልኢትን ብምምዝጋብ ራብዓይ ደረጃ ብምሓዝ ሓድሽ ሃገራዊ ክብረወሰን ኣመዝጊባ። ትማሊ ሰንበት 10 ሓምለ 2014 ዓ.ም፡ ኣብ ውድድር ማራቶን ደቂ ተባዕትዮ ኢትዮጵያዊ ታምራት ቶላ፡ 2 ሰዓትን 5 ደቒቕን 36 ካልኢትን ብምውሳድ ተዓዊቱ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝጀመረ ውድድር፡ ኣትለት ለተሰንበት ጊደይ ኣብ ውድድር 10 ሽሕ ሜትር ብዘደንቕ ውድድር ወርቂ መዳልያ ተዓዊታ። ሎሚ ወጋሕታ፡ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 1,500 ሜትር ደቂ ኣንስትዮ ድማ፡ ኣትለት ጉዳፍ ጸጋይ ንኢትዮጵያ ብ3 ደቒቕ፡ 54 ካልኢት፡ 52 ማይክሮ ካልኢት ብሩር መዳልያ ረኺባ።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cprlj5p543lo"} {"headline":"ማንቸስተር ዩናይትድ ንተጻዋታይ ሪያል ማድሪድ ካሴሜሮ ብ70 ሚልዮን ፓዉንድ ኣፈሪማ","content":"ማንቸስተር ዩናይትድ ንብራዚሊያዊ ናይ ማእኸል ተጻዋታይ ጋንታ ሪያል ማድሪድ ካሴሜሮ ብ70 ሚልዮን ፓዉንድ ንኽተፈርሞ ተሰማሚዓ። እቲ ወዲ 30 ዓመት ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ካብ 2013 [ኣቆጻጽራ ፈረንጂ] ጀሚሩ ንርያል ማድሪድ ክጻወት ጸኒሑ። ኣብ ጻኒሒቱ ድማ ጋንታ ርያል ማድሪድ ተዓዋቲት ላ ሊጋ ክትከውን እንከላ ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ ድማ 5 ግዜ ጽዋዕ ወሲዳ’ያ። ማንቸስተር ዩናይትድ ፈለማ 50 ሚልዮን ዩሮ ድሕሪ ምኽፋል፡ እቲ ዝተረፈ 10 ሚልዮን ዩሮ ከኣ እቲ ተጻዋታይ ምስፈረመ ዝኽፈል ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ። ኣብ ፕርምየር ዓዲ ኢንግሊዝ ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ተሰሪዓ እትርከብ ጋንታ ማንቸስተር ዩናይትድ ድሕሪ ጽባሕ ሰኑይ ኣብ ስታድየም ኦልድ ታራፎርድ ምስ ጋንታ ሊቨርፑል ክትገጥም’ያ። ካሴሜሮ ካብቶም ብሉጻት ተኸፈልቲ ተጻወቲ ማንቸስተር ዩናይትድ ሓደ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት። እታ ጋንታ ንኣርባዕተ ተጻወትቲ ዘፈረመት ኮይና፡ ቅድሚ ካሴሜሮ ንክርስችን ኤሪክሰን፣ ታይረል ማላስያን ሊሳንድሮ ማርቲነዝ ከምዘፈረመት ዝፍለጥ’ዩ። ማንቸስተር ዩናይትድ ንማእኸል ተጻዋታይ ጁቬንትስ ኤድርያን ራብዮት ክተፈርም ውጥን’ኳ እንተነበራ ቅድመ ኩነት ከማልእ ብዘይምኽኣሉ እቲ ዝውውር ኣይሰለጠን። ንሱ ክሽፍኖ ተሓሲቡ ዝነበረ ናይ ማእኸል ተጻዋታይነት ክፍተት ንምምላእ’ዩ እምበኣር ማንቸስተር ዩናይትድ ንካሴሜሮ ክተፈርም ተገዲዳ ዘላ። ካሴሜሮ ኣብ ዝቕጽል ሰኑይ ኣብ ዝወግበር ጸወታ ኣይክስለፍን’ዩ። ኣብታ ጋንታ ክፈጥሮ ዝኽእል ለውጢ ምግማት ግን ይከኣል’ዩ። ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝነበረ ጸወታ ኣብ ላ ሊጋ ካብ ዝነበሩ ናይ ማእኸል ተጻወትቲ ብንጽጽር ዝሓሸ ጸወታ ኣርእዩ’ዩ። ብራዚሊያዊ ተጻዋታይ ካሴሜሮ ዕውት ብዝኾነ መገዲ ብምክልኻል ቀዳማይ ደረጃ ዝሓዘ ኮይኑ ሸርተቴ ኣቲኻ ኩዕሶ ብምሕዳግ ድማ ካብ ተጻዋታይ ባርሴሎና ሰርጅዮ ቡስኬዌትስ ቀጺሉ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዑ ይርከብ። ሪያል ማድሪድ ብዝሓሸ ኣፈጻጽማ ንኽተጥቅዕ ኣብ ማግባር’ውን እንተኾነ ግደ ካሴሜሮ ዘይተሓለለ’ዩ ነይሩ። ናይ ማእኸል ተጻዋታይ ካሴሜሮ፡ ካብ 2014 ክሳብ 2015 ኣብ ፖርቹጋል ጋንታ ፖርቶ ዝተጻወተ ኮይኑ ንጋንታ ርያል ማድሪድ 222 ግዜ ተሰሊፉ 24 ሸቶታት ኣእትዩ። ማንቸስተር ዩናይትድ ንካሴሜሮ ንኣርባዕተ ዓመት ዘፈረመቶ ናይ ምጽዋት ዓቕሙ ብፍላይ ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ ብዘርኣዮ ብቕዓት ከምዝኾነ’ዩ ዝግለጽ። ካብቲ ኣብ ስፐይን ዝኽፈሎ ዝነበረ ኣብ ማንቸስተር ዩናይትድ ዕጽፊ ከምዝኽፈሎ’ኳ ይውረ እንተሎ ብንጹር ዝተጠቐሰ ነገር ግን የለን። ይኹን እምበር ካብቶም ቀዳሞት ተኸፈልቲ እታ ጋንታ ከምዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣልጠንቲ ዩናይትድ ንካሴሜሮ ከምዘደንቕዎን ከፈርምዎ ድልየት ከምዝነበሮሙን ይግለጽ። ንሱ’ውን እንተኾነ ናብ ኦልድ ታራፎልድ ናይ ምኻድ ድልየት ከምዝነበሮ ተዛሪቡ። ኣሰልጠንቲ ዩናይትድ ካሴሜሮ እታ ጋንታ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ተዓዋቲት ከምዝገብራ እምነት ኣሕዲሮም ኣለዉ።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c2vp9ejyvg8o"} {"headline":"ቱር ዲ ፍራንስ ሎሚ ክዛዛም’ዩ፡ ቪንገጋርድ ብጫ ማልያኡ ኣውሒሱ","content":"ጆናስ ቪንገጋርድ ኣብ መበል 20 መድረኽ ዙር ፈረንሳ፡ ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ንዎት ቫን ኣርት ተኸቲሉ ካልኣይ ኰይኑ ብምዝዛሙ፡ እታ ለቢስዋ ዝቐነየ ብጫ ማልያኡ ብገፊሕ ፍልልይ ዓቒብዋ ናብ መዛዘሚ መድረኽ ክኣቱ’ዩ። ኣብቲ ናይ ትማሊ ውድድር፡ ካብቲ ንውድድሩ ብ47 ደቒቕን 59 ካልኢትን ዝዛዘመ  ቫን ኣርት ብ19 ካልኢት ድሒሩ ዝዛዘመ ዴንማርካዊ ጆናስ ቪንገጋርድ ኣብ ብጫ ማልያ ንመወዳድርቱ ታደጅ ፖግካር ብ3 ደቂቕን 34 ካልኢትን ማሕዲግሉ ኣሎ። ወዲ 25 ዓመት ተቐዳዳማይ ክለብ ጃምቦ ቪዝማ፡ ጆናስ ቪንገጋርድ ትማሊ ካልኣይ ድሕሪ ምውጽኡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ንዓይ እዚ ዓወት ኵሉ ነገር እዩ፡ ኣዝዩ ዘሐብንን ብቓላት ዘይገልጾን ድማ’ዩ፡ ኣብ ብሽክለታ ዘመዝገብክዎ ዝዓበየ ዓወት’ዩ” ኢሉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ኣብ ውድድር ንብጫ ማልያ ካልኣይ ኰይኑ ዝዛዘመ ጆናስ ቪንገጋርድ፡ “ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካልኣይ ኰይነ ጸወታይ ምስ ዛዘምኩ፡ ነዚ ውድድር ክዕወተሉ ከምዝኽእል ክኣምን ጀሚረ፣ ሕጂ ኣብ ከምዚ ደረጃ ምብጽሐይ ከኣ እፎይታ ዝፈጥር’ዩ፡ ኣዝየ ተሓቢነን ተሓጒሰን’የ ዘለኹ” ኢሉ። ቪንጋገርድ ናብዚ ሎሚ ኣብ ከተማ ፓሪስ ዝካየድ ናይ 115.6 ኪሎሜተር መዛዘዘሚ መድረኽ፡ ሕማም ወይ መውደቅቲ እንተዘየጓኒፍዎ ነቲ ኣብ ብጫ ማልያ ኣውሒስዎ ዘሎ ናይ ልዕሊ 3 ደቒቕ ፍልልይ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ክምንጠል’ዩ ዝብል ግምት የለን። በዚ መሰረት፡ ናይ ሎሚ መዛዘሚ ጸወታ መን ተዓወተላ ንምርኣይ’ምበር ኣብ ማልያ ዝመጽእ ፍልልይ ከምዘይህሉ ዳርጋ ርግጽ ኰይኑ ኣሎ። ኣብ መበል ዕስራ መድረኽ ኣብ ዝነበረ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር፡ ነቲ ዓሚ ንቱር ዲ ፍራንስ ዝተዓወተሉ ፖጋካር ናይ ሰለስተ ደቒቕን 26 ካልኢትን ጸብለልታ ግዜ ሒዙሉ’ዩ ናብ ውድድር ኣትዩ። ፓጋካር ነቲ ዝነበረ ገፊሕ ፍልልይ ከጽብብ’ኳ ትጽቢት እንተነበረ፡ ብኣንጻሩ ጆናስ ቪንገጋርድ ነቲ ፍልልይ ከግፍሖ’ዩ ተራእዩ። ኣብ ናይ ትማሊ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር፡ ተቐዳደምቲ ጁምቦ ቪዝማ ንዎት ቫን ኣርትን ጆናስ ቪንገጋርድን ቀዳማይን ካልኣይን ኰይኖም ጸወታኦም ምዝዛሞም፡ ጆምቦ ቪዝማ በጺሓቶ ዘላ ድንቂ ብቕዓት ዘመስክር’ዩ ነይሩ። ንመበል 20 መድረኽ ዝተዓወተሉ ቫን ኣርት ድሕሪ ዓወቱ፡ “ኣዝየ ተሓጒሰ ኣለኹ፡ ናይ ሎሚ ውድድር [መበል 20 መድረኽ] ዳርጋ ሕልሚ ኰይኑ’ዩ ዝስምዓኒ ዘሎ፡ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሳምንታት ኣብ ጽቡቕ ኣቃውማ ዝርከቡ ደቂ ጋንታይ ኣዝየ አመስግኖም፡ ክትኣምኖ ዘጸግም ብቕዓት’ዮም ዘርእዩ ዘለዉ” ኢሉ። ኣብ ብጫ ማልያ ዝመርሑ ዘለዉ 1. ጆናስ ቪንገጋርድ ክለብ ጁምቦ ቪዝማ 76 ሰዓታት፡ 33 ደቒቕ፡ 57 ካልኢት 2. ታደጅ ፖጋካር ክለብ ዩኤኢ 3 ደቂቕን 34 ካልኢት ድሒሩ 3. ግሪይንት ቶማስ ክለብ ኢኖይስ 8 ደቒቅን 13 ካልኢትን ድሒሩ ኣብ ቀጠልያ ማልያ’ውን፡ ንመበል 20 መድረኽ ዝተዓወተሉ ተቐዳዳማይ ጋንታ ጃምቦ ቪዝማ ቫን ኣርት’ዩ ሒዝዋ ዘሎ። ታደጅ ፖጋካርን ጆስፐር ፍሊፕስን፡ ካልኣይ ሳልሳይን ኰይኖም ይስዕብዎ፡ እንተዀነ እቲ ኣብ መንጐኦም ዘሎ ፍልልይ ኣዝዩ ሰፊሕ ብምዃኑ፡ ቫን ኣርት ብዘይ ስክፍታ እዩ ዓቒብዋ ውድድሩ ክዛዝም። ንንጉስ ዓቐበት ትውሃብ ነጠብጣብ ዘለዋ ማልያ፡ እቲ ንቢጫ ማልያ ዓቒቡ ዘሎ ጆናስ ቪንገጋርድ ብ72 ነጥቢ'ዩ ሒዝዋ ዘሎ።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyjm7ewplp3o"} {"headline":"ቸልሲ ንራሂም ስተርሊን ካብ ማንቸስተር ሲቲ ክተፈርም ተሰማሚዓ","content":"ቸልሲ ንእንግሊዛዊ ናይ ክንፊ ተጻዋታይ ራሂም ስተርሊን ንምግዛእ ምስ ማንቸስተር ሲቲ ተሰማሚዓ። እዚ ውዕል ክሳብ 50 ሚልዮን ፓውንድ ዝበፅሕ ኮይኑ፡ ስተርሊን ብናይ ሓሙሽተ ዓመት ውዕል ናብ ስታምፎርድ ብሪጅ ክኣቱ ምዃኑ ተገሊጹ። ስተርሊን ቅድሚ እቲ ስምምዕ ምፍፃሙ ሕክምናዊ መርመራ ክገብር ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ። ወዲ 27 ዓመት ተጻዋታይ: ምስ ሲቲ ዝነበሮ ውዕሊ ገና ሓደ ዓመት እናተረፎ፡ ቀልቢ ዓበይቲ ጋንታታት ስሒቡ ነይሩ። ሲቲ ንስተርሊን ኣብ 2015 ካብ ሊቨርፑል ብ49 ሚልዮን ፓውንድ ከምዘፈረመቶ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ ዝተሰለፈሎም 339 ጸወታታት 131 ሸቶታት ኣመዝጊቡ። እቲ ውዕል እንተተዛዚሙ፡ ኣብዚ ክራማት ብቶድ ቦይሊ ዝምራሕ ሕብረት ንቸልሲ ድሕሪ ምዕዳጉ፡ ስተርሊን ናብታ ጋንታ ክፅምበር ዝተሰማምዐ ናይ መጀመርታ ዓቢ ፈራሚት ክኸውን’ዩ። ጋንታ ቸልሲ ቅድመ-ግጥማት ፕሪምየርሊግ ኢንግሊዝ ንዝህልዋ ፀዋታ ኣብ ዝመፅእ ሰሙን ናብ ኣሜሪካ ከይገሸት ከላ እቲ ውዕል ክዛዘም ትጽቢት ይግበር። ከም ባርሴሎና፣ ርያል ማድሪድን ባየር ሙኒክን ዝበላ ካልኦት ጋንታታት'ውን ንስተርሊንግ ከፈርማ ድልየት ነይርወን። እንተኾነ ግን እቲ ተጻዋታይ ቸልሲ ክትፈርሞ ዘለዋ ድልየት ብዕልን ብውልቅን ምስሓበረትሉ ተሳሒቡ’ሎ። ሲቲ ስተርሊን ክጸንሕ ድልየት ዝነበራ ኮይኑ፡ ንሱ’ውን ኣብ ልዕሊ እታ ጋንታ ይኹን ኣሰልጣኒ ፔፕ ጋርድዮላ ዝኾነ ሕማቕ ስምዒት የብሉን። ይኹን እምበር ነዚ ኣብ ሂወቱ ከም ኣገዳሲ ውዕል ዝርእይ ስተርሊን ምስታ ንኹሉ ዓበይቲ ውድድራት ብዝለዓለ ብቕዓት እትወዳደር ጋንታ ተሰሊፉ ክፃወተላ ድልየት ኣለዎ። ስተርሊን ገና ክፍጽሞ ዝደሊ ናይ ጋንታን ፕሮፌሽናልን ሸቶታት ኣለዎ፤ ምዕዋት ‘ባሎን ዲኦር’ ድማ ሓደ ካብ ሸቶታት’ዩ። ኣሰልጣኒ ቸልሲ ቶማስ ቱኸል፡ ሮሜሉ ሉካኩ ንሓደ ዓመተ ብልቓሕ ናብ ኢንተርሚላን ድሕሪ ምጽንባሩ፡ ንክፍሊ ኣጥቃዕቱ ከጠናኽር ክፅዕር ፀኒሑ’ሎ። ቤልጅየማዊ ኣጥቃዓይ ሉካኩ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኩሉ ውድድራት 15 ሸቶታት ብምምዝጋብ ናይታ ጋንታ ብሉጽ ኣመዝጋቢ ሸቶ ነይሩ። ስተርሊንግ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ 30 ጸወታታት ፕረምየርሊግ 13 ሸቶታት ዘመዝገበ ኮይኑ፡ ንራብዓይ ግዜ ዋንጫ ፕሪምየርሊግ ብምዕታር፡ ምስ ሲቲ ኣብ ዘሕለፎ 7 ዓመታት ትሸዓተ ዓበይቲ ዓወታት ረኺቡ። ኣብ ዝሓለፈ ክራማት ጃክ ግሪሊሽ ነታ ጋንታ ብምፍራሙ ግን ዕድል ስተርሊንግ ተደሪቱ። ኣጥቃዓይ ኤርሊን ሃላንድን ጁልያን ኣልቫረዝን ከኣ ኣብዚ ክራማት ናብ ስታድዩም ኢትሃድ ኣትዮም ኣለዉ። ስተርሊንግ ጋንትኡ ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ሻምፕዮንስ ሊግ ብርያል ማድሪድ ኣብ ዝተሳዕረትሎም ክልተ ግጥማት ከምኡ ድማ ኣንጻር ኣስቶንቪላ ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ ጸወታ ኣብ ተቐያሪ ወንበር ምንባሩ ይዝከር።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4n2v025g0go"} {"headline":"\"ወለደይ ከምዝኸማይ ክሕጎሱ'ዩ ትምኒተይ\" ኣትሌት ጎይተቶም","content":"ጎይተቶም ገብረስላሰን ኬንያዊት ኮሪርን ንነዊሕ ኪሎሜትራት በይነን ተፈልየን ነቲ ውድድር ብምቕላስ ቀዳመይትን ካልአይትን ኮይነን ውድድረን ዛዚመን።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cn07rqvkk7no"} {"headline":"ራያን ጊግስ፡ 'ኣዝዩ ጽዩቕን ኣሰቃቒን ባህሪ ነይርዎ' ተባሂሉ","content":"ብደገፍቲ እንግሊዛዊት ክለብ ማንቸስተር ዪናይትድ ዝምለኽ ዝነበረ ኮኾብ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ ራያን ጊግስ፡ ካብ ሜዳ ወጻኢ ሕማቕ ባህሪ ኣለዎ ክብሉ ኣኽበርቲ ሕጊ ገሊጾም። እቲ ወዲ 48 ዓመት ጊግስ፡ ኣብ ልዕሊ ኣፍቃሪቱ ዝነበረት ኬት ግረቪልን ንእሽቶ ሓፍታ ኤማን ማህሰይቲን መጥቃዕቲን ብምፍጻሙ ተኸሲሱ እዩ ኣብ ፍርዲ ቀሪቡ። ዓቃብ ሕጊ ፒተር ራይት፡ ጊግስ ጽቡቕ ክእለት ኵዕሶ እግሪ ከም ዝነበሮን እንተዀነ ካብ ሜዳ ወጻኢ ህይወቱ ኣዝዩ ዝተፈልየ ከምዝዀነን ገሊጹ። \"ኣዝዩ ጽዩቕን ኣሰቃቒ ባህርን ነይርዎ\" ክብል ራይት ንመጋባእያ ዳያኑ ተዛሪቡ። “ኣብታ ከም ዘፍቅራ ዝኣመነላ ሰበይቲ፡ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ግህሰት ፈጺሙ እዩ።” ይዅን እምበር ጊግስ ንዅሉ እቲ ክሲ ነጺግዎ ኣሎ። ካብ ነሓሰ 2017 ክሳብ ሕዳር 2020 ኣብ ልዕሊ ኬት ግረቪል ብምቍጽጻርን ምግዳድን ከምኡ’ውን ኣካላዊ ጕድኣት ብምፍጻሙ እዩ ተኸሲሱ። ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ሓብታ ኣብ 1 ሕዳር 2020 መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ'ውን ተገሊጹ ኣሎ። ኬት ግረቪል \"ምሉእ ህይወት ሓሶት እዩ ነይሩ\" ክትብል እናነብዐት ንፖሊስ ገሊጻ። ወሲኻ’ውን፡ ሓደ እዋን ንኻልእ ጓል ኣንስተይቲ መልእኽቲ ልኢኽካ ኢላ ምስ ኣጓጠጠትሉ ካብቲ ክፍሊ ሆቴል \"ከምዘባረራ\" ነቶም መርመርቲ ሓቢራ። ብኢዳ \"ብሓይሊ\" ሒዙ፡ ዕርቃና ወጺኣ እንከላ \"መሬት ንመሬት ጎቲቱ\" ኣወጺኡ ከምዝደርበያን ክዳውንታ ከምዝደርበየላን ትዛረብ። \"ውርደትን ሕፍረትን\" ክስምዓ ከምዝገበር እውን ትገልጽ። ቅድሚ እቲ ኣብ ሕዳር 2020 ዘጋጠማ መጥቃዕቲ ኣዋርሕ ቅድም ኢሉ፡ ጊግስ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ምስ ካልኦት ሸሞንተ ደቂ ኣንስትዮ ርክብ ከምዝነበሮ ዘርኢ መርትዖ ረኺባ ከም ዝነበረት ገሊጻ። ራያን ጊግስ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተፈላለዩ ዕረቃኑ ዘርእዩ ስእልታትን ዘናሽዉ መልእኽቲታን ይልእከላ ከምዝነበረ፡ ዓቃቢ ሕጊ ፒተር ራይት ገሊጹ። ብተወሳኺ ኣብ ሰነ 2020 ሓያል ጸርፊ ከም ኣርእስቲ ተጠቒሙ ናብ ውልቃዊ ኣካውንታ ኢመይል ከምዝለኣኸ ቤት ፍርዲ ሰሚዑ። ፒተር ራይት ሽዑ እንታይ ከምዝተስምዓ ምስ ሓተታ፡ ዘሰንብድ “ፍጹም ዘይርትዓዊ ነይሩ\" ክትብል መሊሳ። ሚስ ግረቪል ንፖሊስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ኣብቲ ዝምድና ብኣጋኡ \"ምልክታት ሓደጋ\" ከምዝረኣየትን \"ዳርጋ ክልተ ዓይነት ሰብ ከምዝመስልን\" ትገልጽ። ምስ ጊግስ ርክብ ኣብ ዝጀመሩሉ እዋን ክልቲኦም ሓዳር'ኳ እንተነበሮም ሕጕሳት ከምዘይነበሩ፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ሓዳሮም ጽቡቕ የውግዑ ከምዝነበሩ ሓቢራ። ከምኡ እናበለ ነገራት \"ምስ ማዕበሉ\" ድሕሪ ክልተ ወርሒ ሓዳራ ከምዝሓደገት እውን ገሊጻ። \"ከም ሓደ ብሉጽ ዓርከይ፡ መጻምድቲ ነፍሲ እዩ ነይሩ፡ ካብቲ ሓዳር ዘድሓነኒ ንሱ እዩ ነይሩ\" ክትብል ወሲኻ ተዛሪባ። ዝነበራ ርእሳ ሓዳር ምስ ሓደገት፡ ጊግስ፡ ንበዓልቲ ቤቱ ከም ዝሓድጋ ቃል ይኣቱ ከምዝነበረን፡ ግን ከምዘይተፈጸመን ትዛረብ። ኣብ ሓደ እዋን ምዝርራብ ኣቋሪጻ መልእኽቲ ክልእኽን ክድውልን እንከሎ ጻውዒታቱን ሸለል ከም ዝበለቶ ንፖሊስ ዝገለጸት ሚስ ግረቪል፡ ጊግስ ናብ ኣፓርታማኣ መጺኡ ሸለል ምስ በለቶ፡ \"ኣመንዝራ ኢኺ፡ ምስ ካልእ ሰብ ዲኺ ዘለኺ?\" ኢሉ ዓው ኢሉ ከምዝተዛረበ ሓቢራ። ኣብ ገለ እዋናት ቴሌፎናቱን ኢመይላቱን ሸለል'ኳ ትብል እንተነበረት፡ ርክቦም ግን እናተቛረጸ እናቐጸለ ከም ዝኸደ እቲ ቤት ፍርዲ ሰሚዑ። \"ዳርጋ ብእኡ ዝተወለፍኩ እየ ነይረ። ካብ ርእሰይ ከውጽኦ ኣይከኣልኩን\" ትብል። ርክቦም እናቐጸለ ምስ ከደ፡ ነታ ሽዑ ዝነበረት በዓልቲ ቤቱ ገዲፉ ናብ ኣደኡ ከም ዝገዓዘ ነጊርዋ። \"ደሓር ግን ከምዘይገበሮ ፈሊጠ። እዚ ንኣስታት ትሽዓተ ኣዋርሕ ቀጺሉ፡ ድሕሪኡ ምስ [ናይ ሽዑ በዓልቲ ቤቱ] ከምዘይፈላለ ተረዲአ\" ትብል። ኣብ መወዳእታ፡ ሚስ ግረቪል፡ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ሂባቶ ዋላ ሓንቲ ከይተለወጠ ምስ ተረፈ \"ካብኡ ክትርሕቕ\" ናብ ኣቡዳቢ ክትከድ ከም ዝወሰነትን ገሊጻ። ጊግስ ካብ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ግዜ ዕረፍቱ ስዒቡ፡ ኣብ ሰነ ካብ ዝነበሮ ስራሕ ኣሰልጣንነት ሃገራዊት ጋንታ ዌልስ ወሪዱ ነይሩ። ንሱ ኣብ ኦልትራፎርድ ኣብ ዝጻወተሉ ዝነበረ እዋን፡ ማንቸስተር ዩናይትድ 13 ዋንጫ ፕረምየርሊግ፡ 2 ዋንጫ ሻምፕዮንስ ሊግ፡ 4 ዋንጫን ኤፍኤ 3 ዋንጫ ሊግን ተዓዊታ እያ። ምስ ዌልስ 64 ዋንጫታት ዝተዓወተ ጊግስ፡ ሓባራዊ ወናኒ ክለብ ሳልፎርድ ሲቲ እዩ። እቲ መስርሕ ፍርዲ ክቕጽል እዩ።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c9957wgedrlo"} {"headline":"10 ኤርትራውያን ኣትሌታት ኣብ ቻምፕዮና ዓለም ይሳተፉ ኣለዉ","content":"ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከተማ ኦሪጎን ኣብ ዝካየድ መበል 18 ቻምፕዮና ኣትለቲክስ ዓለም፤ ሸውዓት ደቂ ተባዕትዮን ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮን ኤርትራውያን ይሳተፉ ኣለዉ። ኣብቲ ካብ ሎሚ 15 ሓምለ ጀሚሩ ክሳብ 24 ሓምለ ዝካየድ ድሕሪ ውድድራት ኦሎምፒክ ብኻልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ቻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም፡ ኤርትራውያን ኣትሌታት ብኣሰልጠንቲ ሊቪንግስቶን ኣብርሃምን በርሀ ኣስገዶምን ተመሪሖም’ዮም ውድድሮም ከካይዱ። ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሚያዝያ 2022 ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ዳጉ 2022 ንውድድራ፡ ብ2 ሰዓት፡ 21 ደቒቕን 25 ካልኢትን ቀዳመይቲ ብምዃን ውድድራ ዝዛዘመት ናዝሬት ወልዱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት፡ ንቻምፕዮን ዓለም ብጽቡቕ ተዳልያ ከምዘላ ገሊጻ። ናዝሬት ወልዱ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዘካየደቶ ውድድር ሰለስተ ክብረ ወሰናት ከም ዘመሓየሸት ዝዝከር እዩ። እታ ኣትሌት ኣብ ደቡብ ኮርያ ዘመዝገበቶ ሰዓት ኣቐዲማ ሒዛቶ ዝነበረት ናይ ውልቃ ግዜ: ናይ ኤርትራ ብደቂ ኣንስትዮ ተመዝጊቡ ዝጸንሐ ሰዓት ከምኡ'ውን ቅድሚ ሕጂ ብኬንያዊት ማርጋሬት ኣጋይ ተመዝጊቡ ዝነበረ ሰዓት ብምምሕያሽ'ያ ክብረ ወሰን ሒዛ። እቲ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዘመዝገበቶ ሰዓት ኣብ ቻምፕዮን ዓለም ክትዕቕቦ ተኽእሎ እንተሃልዩ ኣብ ዝተሓተተትሉ “ፍልልይ ኣለዎ፡ ኣብቲ ናይ ማራቶን ዳጉ ኣቀላጠፍቲ ስለዝነበራና እቲ ውድድር ንሰዓት ንምምሕያሽ እዩ ነይሩ፡ ኣብዚ ግና ኩሉ ተቐዳዳማይ ንመዳልያ ስለዝወዳደር ተሓላሊኻ ዝኸይድ ውድድር’ዩ፡ ኣነ ኸኣ መዳልያ ንምምጻእ’የ ክጻወት” ኢላ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ቻምፕዮና ኣትለቲክስ ዓለም፡ 10 ኤርትራውያን ኣትሌታት’ዮም ዝወዳደሩ ዘለዉ። ናዝሬት ወልዱ፡ ራሄል ዳንኤል፡ ዶልሺ ተስፋይ፣ ጎይትኦም ክፍለ፣ እዝቕኤል ተወልደ፣ ፊሊሞን ዓንደ፣ ዑቕበ ክብሮም፣ ሃብቶም ሳምኤል፣ የማነ ሃይለስላሰን መርሃዊ መብራህቱን እዮም። ኣብ ናይ 3000 ሜትሮ መሰናኽል ዝወዳደር ኣትሌት የማነ ሎሚ ጸወታ ክህልዎ እዩ። ኣትሌት ራሄል ዳንኤል ኣብ ናይ 5000 ከምኡ ኸኣ ኣብ 10000 ሜትሮ፣ ዶልሺ ተስፋይ ኣብ 10000 ሜትሮ፣ መርሃዊ መብራህቱ ኣብ ናይ 5000 ሜትሮ፣ ሃብቶም ሳምኤል ኸኣ ኣብ ናይ 10000 ሽሕ ሜትሮ ክወዳደሩ’ዮም። ጎይትኦም ክፍለ፣ እዝቕኤል ተወልደ፣ ዑቕበ ክብሮም፣ ፊልሞን ዓንደን ኸኣ ኣርባዕቲኦም ኣብ ማራቶን ክወዳደሩ እዮም። ጎይትኦም ክፍለን እዝቕኤል ተወልደን ዝበለጸ ኣብ ማራቶን ዘመዝገብዎ ግዜ ማዕረ 2 ሰዓት 7 ደቒቕን 25 ካልኢት ሒዞም ኣለዉ። ኣብ ናይ 3000 ሜትሮ መሰናኽል ዝወዳደር የማነ ሃይለስላ 8 ደቒቕ 26 ካልኢትን 17 ንኡስ ካልኢትን ዘመዝገቦ ግዜ እቲ ዝበለጸ ግዜ’ዩ። ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ሓጺር ቃለ መሕተት፡ ኩሎም ምስኣ ዝተጓዓዙ ኤርትራውያን ኣትሌታት ኣብ ጽቡቕ ቁመና ከምዝርከቡ ብምግላጽ “ነቲ ዓወት ሒዝና ክንምለስ ዝሰደደና ህዝብናን መንግስትናን ዓወት ሒዝና ክንምለሶ ኩሉ ዝክኣለና ክንገብር ኢና” ኢላ። ኢትዮጵያ’ውን ብኣትሌታት ለተሰንበት ግደይ፤ ጉዳፍ ጸጋይ፤ ሙኽታር እድሪስ፤ ጎይትኦም ገ\/ስላሴ፤ ሰሎሞን ባረጋ፤ በሪሁ አረጋዊ፤ ታደሰ ወርቁ ዝርከብዎም ብልዕሊ 30  ኣትሌታት ኣብዚ ውድድር ክትሳተፍ እያ።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cek0k8dvx93o"} {"headline":"ቢንያም ግርማይ፡ ድሕሪ ማህረምቱ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ጋንታኡ ውድድር ከካይድ'ዩ","content":"ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ግንቦት ኣብ ዓስራይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታልያ ቀዳማይ ወጺኡ፣ ዓወቱ ኣብ ዝጽንብለሉ ዝነበረ ኣጋጣሚ ዓይኑ ተሃሪሙ ካብቲ ውድድር ድሕሪ ምእላዩ፡ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ጋንታኡ ተሰሊፉ ክቀዳደም እዩ። ተቐዳዳማይ ቤልጂማዊት ጋንታ ኢንተርማርች ዋንቲ ጎበርት ቢንያም፡ ኣብቲ ንመበል 43 ግዜ ዝካየድ ዘሎ ኣብ ቤልጂየም ሓደ ካብ ፍሉጣት ውድድራት 'ቱር' ዝዀነ ካብ 23 ክሳብ 27 ሓምለ ኣብ ዝካየድ፡ ቱር ኢትያስ ዲ ዋሎነ’ዩ ክወዳደር። እዚ ውድድር ሓሙሽተ መድረኻት ዘለዎ ኰይኑ፡ ከም ትሬክ፡ ኮፊደስ፡ መርሃዊ ቅዱስ ዝወዳደረላ ኣሜሪካዊት ጋንታ ኢኤፍ ኤዱኬሽን፡ ኢንዮስ፡ እስራኤል ፕሪምየር፡ ሙቪ ስታር፡ ኵክ ስተፕ፡ ቲም ዩኤኢ፡ ዝርከባአን 22 ውሩያት ጋንታታት ዓለምና ክሳተፋኦ እየን። ቢንያም ግርማይ ኣብ ጂሮ ዲ ኢታልያ፡ ክሳብ'ቲ ብሰንኪ ማህረምቲ ዓይኑ ካብ ጸወታ ዝተኣለየሉ ዓሰርተ መድረኻት፣ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ካልኣይ፡ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ራብዓይ፡ ኣብ ሓምሻይ መድረኽ ሓምሻይ፡ ኣብ ሻድሻይ መድረኽ ራብዓይ፡ ኣብ ሻምናይ መድረኽ ሓምሻይ ኣብ ዓስራይ መድረኽ ከኣ ቀዳማይ ምውጽኡ ይዝከር። ቢንያም ግርማይ በቲ ኣብ ዓስራይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታልያ ዘመዝገቦ ናይ መድረኽ ዓወት፡ ኣብ ግራንድ ቱር ዝተዓወተ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ክኸውን ክኢሉ’ዩ። ቢንያም፡ ኣብ ጂሮ ዲ ኢታልያ ጸወታ ምስ ኣቋረጸ፡ ናብ ሃገሩ ኤርትራ ኣብ ዝተመለሰሉ ኣዝዩ ድሙቕ ኣቐባብላ’ዩ ተገይርሉ። ንሱ ኣብቲ እዋን ምስ ተለቪዥን ኤርትራ ቃለ መጠይቕ ኣብ ዝገበረሉ፡ ጋንታኡ ኣብቲ ሕጂ ኣብ ምክያድ ዝርከብን ሎሚ መበል 18 መድረኽ በጺሑ ዘሎን ቱር ዲ ፍራንስ ክሳተፍ’ኳ እንተሓተቶ፡ ንሱ ግን ንሻምፕዮን ኤርትራ ክሳተፍ ቀዳምነት ከምዝህብ ምግላጹ ይዝከር። ንሱ፡ ኣብ ሻምፕዮን ኤርትራ 2022 ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ቀዳማይ ብምውጻእ ተዓዋቲ ወርቂ መዳልያ ኰይኑ እዩ። በዚ መሰረት፡ ክሳብ ዝመጽእ ዓመት ሻምፕዮን ኤርትራ ዝካየድ፡ ቢንያም ግርማይ ምስ ጋንታኡ ኰይኑ ኣብ ዘካይዶ ናይ ግዜ ውድድራት፡ ብብንዴራ ኤርትራ ዝወቐበት ማልያ ለቢሱ’ዩ ውድደራቱ ከካይድ። ኣብ ናይ ጽርግያ ውድድር’ውን፡ ነቶም ጸወታ ኣብ ምፍላሙ ዝሃደሙን ንልዕሊ 100 ኪሎሜተር በይኖም ዝዝወሩን፡ መርሃዊ ቅዱስን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ንምርካብ፡ ነታ ብዙሓት ተጻወትቲ ሓቚፋ ዝነበረት ካልአይቲ ጕጅለ ብዙሕ ግዜ ክስሕባን ሓያል ተወዳዳርነት ከርእን ክኢሉ እዩ። እንተዀነ ጸወታ ክዛዝም ኣስታት ሰለስተ ኪሎሜተር ምስ ተረፎ ጸወታ ምቍራጹ ይዝከር። እቲ ጸወታ ኸኣ ብዓወት መርሃዊ ቅዱስ ከም ዝተዛዘመ ኣይርሳዕን። እዚ ኣብ ቤልጆየም፡ ካብ ዕለት 23 ክሳብ 27 ሓምለ ዝካየድ ቱር ኢትያስ ዲ ዋሎነ፡ 9620.4 ኪሎ ሜተር ዝሽፍን ሓሙሽተ መድረኻት ዘለዎ ሓያል ውድድር እዩ። ካብ ሎ-ሎክስ ናብ ቻፕል ለዝ ሀርላይሞት ዝካየድ መዛዘሚ ሓምሻይ መድረኽ እቲ ዝነወሐ መድረኽ ኰይኑ፡ 214.8 ኪሎሜተር ዝሽፍን ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ። ካብቶም ኣብዚ ውድድር ዝሳተፉ ኣብ 22 ጋንታት ዝተሓቝፉ 154 ተቐዳደምቲ፡ ቢንያም ግርማይ ዝርከቦም 43 ተቐዳደምቲ ዕድመኦም ትሕቲ 23 እዩ፡ በዚ መሰረት ቢንያም ንጋንትኡ ብምምራሕ ኣብ ብጫ ማልያ ኣብ ምድብ ዓበይትን፡ ምድብ ትሕቲ 23 ዓመትን’ዩ ክወዳደር። ኣብ 2021 ንቱር ኢትያስ ዲ ዋሎነ፡ ኣሜሪካዊ ሳይሞን ክኒስ ክዕወተሉ እንከሎ፡ ኣብ 2020 ኸኣ እቲ ኣብ ጂሮ ዲ ኢታልያ ብነጥቢ መወዳድርቲ ቢንያም ዝነበረን፡ ብ245 ነጥቢ ተዓዋቲ ናይ ነጥቢ ማልያ ዝዀነን ፈረንሳዊ ዲማረ ኣርኖልድ ተዓዊትሉ ምንባሩ ይፍለጥ። ቤልጂማዊ ቫን ኣቫርማት ኣብ ዓመተ 2011 ከምኡ’ውን ኣብ ዓመት 2013  ነዚ ውድድር ክልተ ግዜ ብምዕዋት ክብረ ወሰን ሒዙ ዘሎ ተቐዳዳማይ’ዩ። እዚ ተቐዳዳማይ ኣብዚ ውድድር 5 ግዜ ናይ መድረኽ ዕውት ብምዃን’ውን ክብረ ወሰን ሒዙ ዘሎ ተቐዳዳማይ እዩ። ኣብ ገለ ሪከርድታት እዚ ውድድር ምስ እንርኢ፡ ኣብ 2021 ኣብዚ ውድድር ዝተዓወተ ኣሜሪካዊ ሳይሞን ክኒስ ኣብቲ ግዜ ወዲ 20 ዓመትን 77 መዓልታትን ብምንባሩ፡ \"ዝነኣሰ ነዚ ውድድር ዝተዓወተሉ ተቐዳዳማይ\" ተባሂሉ፤ ኣብ 2006 ዝተዓወተ ኢጣልያዊ ፋብሪዝዮ ጉዲ፡ ሽዑ ወዲ 34 ዓመትን 106 መዓልታትን ብምንባሩ፡ \"ዝዓበየ ነዚ ውድድር ዝተዓወተሉ ተቐዳዳማይ\" ዝብል ክብሪ ረኺቡ እዩ። ቢንያም ግርማይ፡ ብዘይካ ኣብ ቱር ኢትያስ ዲ ዋሎነ ካብ 30 ሓምለ ክሳብ 5 ነሓሰ ኣብ ፖላንድ ንመበል 79 ግዜ ዝካየድ ቱር ዲ ፖሎኘ፣ ካብ 16 ክሳብ 19 ነሓሰ ኣብ ፈረንሳ ዝካየድ መበል 55 ቱር ዲ ሊሞሲን፣ 28  ነሓሰ ኣብ ፈረንሳ ንመበል 86 ግዜ ዝካየድ ናይ ሓደ መዓልቲ ክላሲክ ውድድር በርታገን ክላሲክ፣ 9 ከምኡ'ውን 11 መስከረም ኣብ ካናዳ ዝካየድ ግራንድ ሪክስ ኩቤካን፡ ግራንድ ፕሪክስ ሞንትርያልን ዝበሃል ነናይ ሓደ መዓልቲ ውድድራት ክሳተፍ ምዃኑ ጋንታኡ ኣፍሊጣ። ቢንያም ግርማይ ኣብዛ ዓመት፡ ኣብ 18 ውድድራት 38 መዓልታት ብምውድድር 6096 ኪሎሜተር ዘዊሩ፡ 1205 ነጥቢ ኣብ ዩሲኣይ ከመዝግብ ክኢሉ ኣሎ።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c80qe9q5yv9o"} {"headline":"ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ኣብ ዜግነት ሞ ፋራሕ?","content":"ኦሎምፒካዊ ሰር ሞ ፋራሕ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ብሪጣንያ ከምዝኣተወ ብኣንደበቱ ምቅልዑ ስዒቡ፡ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ኣብ ጉዳይ ዜግነቱ ዝውስዶ ዝዀነ ስጕምቲ ከም ዘየለ ብምግላጹ፡ “ከምዘቕሰኖ” ተዛሪቡ። እቲ ኮኾብ ኣትሌት፡ ሓቀኛ ስሙ ሑሴን ዓብዲ ካሂን ከምዝኾነን እንተዀነ መሓመድ ፋራሕ ብዝብል ዜግነት ብሪጣንያ ከምዝረኸበን ብሰኑይ ወግዓዊ ገይሩ’ሎ። እቲ መሓመድ ፋራሕ ዝብል ስም፡ በቶም ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ብሪጣንያ ዘምጽእዎ ሰባት’ዩ ተዋሂብዎ። ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ንጉዳይ ሰር ሞ ፋራሕ ናብ ምጽራይ ከምዘይኣቱ ንቢቢሲ ኣፍሊጡ’ሎ። ሞ ፋራህ ምስ ቢቢሲ ራድዮ 4 ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት እዚ “ኣቕሲኑኒ'ሎ” ክብል ብውሳነ እቲ ቤት ጽሕፈት ዝተሰምዖ ሩፍታ ገሊፁ። “እዚኣ ሃገረይ እያ። ኣለን [ናይ ኣካላዊ ምንቅስቓስ መምህሩ] ከምኡ ድማ ካልኦት ኣብ ግዜ ቍልዕነተይ ብዙሕ ዝሓገዙኒ ሰባት እንተዘይልዉ ነዚ ክገብር ትብዓት ኣይምረኸብኩን ነይረ፡”  ኢሉ። ወሲኹ፡ “ኣብ ህይወተይ ውዕለት ዝፈጸሙለይ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። ብፍላይ በዓልቲ ቤተይ ኣብ ሞያይ ኣዝያ ሓጋዚት ነይራ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ክዛረብ ትብዓት ሂባትኒ፤ ከምኡ ምግባር ሽግር ከምዘይብሉ ነጊራትኒ” ክብል ሓቢሩ። ኣብዚ እዋን ኣብ ምሉእ ዓለም ካብ ዘለዉ ሰባት ዘተባብዑ ርእይቶታት ይቐርበሉ ከምዘሎ ዝዛረብ ሞ ፋራሕ፡ ሓቀኛ መንነቱ ምቅልዑ ስዒቡ ንዝወሃቦ ዘሎ ግብረመልሲ “ዘደንቕ” ክብል ገሊጽዎ። “ምስ ቤተሰበይ’ኳ ብዛዕባኡ ክዛረብ ምቹእነት ኣይስምዓንን ነይሩ። ብወግዒ ኣይዛረበሉን ነይረ። ናብዚ ንኽበጽሕ ነዊሕ እዋን’ዩ ወሲዱለይ። ሰባት ነቲ ቈልዓ ኮይነ ዝወረደኒ ኵሉ ነገራት ክፈልጡ ዝገብር ሰነዳዊ ፊልም ክስራሕ ምግባረይ ሕጕስ’የ” ኢሉ። በዓልቲ ቤቱ ቲና ብወገና፡ ነቲ ሓቀኛ ድሕረባይታኡ ምስ ሰምዐት “ብዙሕ ስምዒታት” ከምዝፈጠረላ ተዛሪባ’ላ። “እቲ ቀዳማይ ግብረመልሰይ ከቢድ ሓዘንን ስንባደን ነይሩ። ሽዑ ሓገዝ ዝሰኣነን ንሽግራት ዝተቓልዐን ወዲ 9 ዓመት ሞ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ቅጅል ኢሉኒ። ማዕረ ምስዚ ስምዒተይ ከኣ በቶም ከምኡ ዝገበርዎን ናብቲ ጸገም ዘእተዉዎን ሰባት ሓሪቐ” ክትብል ዝተሰምዓ ኣረዲኣ። ብዓይኒ ሕጊ ክረአ እንከሎ፡ ሰባት ብምትላል ዜግነት ከምዝረኸቡ እንተ ተፈሊጡ መንግስቲ ዜግነቶም ክስርዞ ይኽእል’ዩ። እንተዀነ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ፡ ኣብ ዜግነት ሞ ፋራሕ ስጕምቲ ከምዘይወስድ’ዩ ንቢቢሲ ኣፍሊጡ ዘሎ። ነዚ ከም ምኽንያት ዘቕረቦ ድማ፡ ህጻናት ብምትላል ዜግነት ኣብ ዝርከበሉ መስርሕ ተሓባበርቲ ክዀኑ ኣይክእሉን'ዮም ዝብል’ዩ።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cg6z96q1dl0o"} {"headline":"ኤርትራውያን ኣትለታት ኣብ ቻምፕዮና ዓለም እንታይ ዓይነት ውጽኢት የመዝግቡ ኣለዉ?","content":"ካብ 14 ሓምለ ጀሚሩ ክሳብ 24 ሓምለ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከተማ ኦሪገን ዝካየድ ዘሎ መበለ 18 ቻምፕዮና ኣትለቲክስ ዓለም፡ 10 ኤርትራውያን ኣትለታት ይሳተፉ ኣለዉ። ኣትለታት ናዝሬት ወልዱ፡ ራሄል ዳንኤል፡ ዶልሺ ተስፋይ፣ ጎይትኦም ክፍለ፣ ህዝቅኤል ተወልደ፣ ፊሊሞን ዓንደ፣ ዑቕበ ክብሮም፣ ሃብቶም ሳምኤል፣ የማነ ሃይለስላሰን መርሃዊ መብራህቱን እቶም ንኤርትራ ብምውካል ኣብቲ ውድድር ዝሳተፉ ዘለዉ ኣትለታት’ዮም። እዞም 7 ደቂ ተባዕትዮን 3 ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣትለታት ብኣሰልጠንቲ ሊቪንግስቶን ኣብርሃምን በርሀ ኣስገዶምን እናተመርሑ ኣብ 3,000 ሜትር መሰናኻል፡ ኣብ 5,000 ሜትር፡ ኣብ 10,000 ሜትር ከምኡ’ውን ኣብ ማራቶን ክወዳደሩ’ዮም ናብ ኦሪገን ኣምሪሖም። ኣብ ናይ 3,000 ሜትር መሰናኽል ዝወዳደር ኣትለት የማነ ሃይለስላሰ ኣብ መኽፈቲ ጸወታ መጻረዪ ውድድር ብምክያድ ካብታ ናቱ ጉጅለ ራብዓይ ብምውጻእ ናብ መዛዘሚ ሓሊፉ ኣሎ። ኣትሌት የማነ ኣብ ናይ 3,000 ሜትር መሰናኽል 8 ደቒቕ 26 ካልኢትን 17 ንኡስ ካልኢትን ዘመዝገቦ ግዜ እቲ ዝበለጸ ግዚኡ’ዩ። ኣትለት ራሄል ዳንኤል ኣብ ናይ 5,000 ከምኡ ኸኣ ኣብ 10,000 ሜትር፣ ዶልሺ ተስፋይ ኣብ 10,000 ሜትር፣ መርሃዊ መብራህቱ ኣብ 5,000 ሜትር፣ ሃብቶም ሳምኤል ኸኣ ኣብ 10,000 ሽሕ ሜትር ክወዳደሩ’ዮም መደብት ተታሒዝሎም። ጎይትኦም ክፍለ፣ ህዝቅኤል ተወልደ፣ ዑቕበ ክብሮም፣ ፊልሞን ዓንደን ኸኣ ኣርባዕቲኦም ኣብ ማራቶን ተወዳዲሮም። ክሳብ ሕጂ ተኻይዱ ኣብ ዘሎ ውድድራት፡ ኤርትራ መዳልያታት እኳ እንተዘይረኸበት፡ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ናይ ውልቃን ናይ ሃገራት ዝበለጸ ግዜ ከተመዝግብ ክኢላ እያ። ናዝሬት ወልዱ ንውድድራ ብ2 ሰዓት፡ 20 ደቂቕን 29 ካልኢትን ብምዝዛም’ያ ናይ ውልቃን ናይ ሃገራን ሪኮርድ ከተመሓይሽ ክኢላ ዘላ። ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሚያዝያ 2022 ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ዳጉ 2022 ንውድድራ፡ ብ2 ሰዓት፡ 21 ደቒቕን 25 ካልኢትን ቀዳመይቲ ብምዃን ዛዚማ ዝነበረት ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ፡ ኣብቲ ውድድር ሰለስተ ክብረ ወሰናት ከተማሓይሽ ክኢላ ነይራ’ያ። እታ ኣትሌት ኣብ ደቡብ ኮርያ ዘመዝገበቶ ሰዓት፡ ኣቐዲማ ሒዛቶ ዝነበረት ናይ ውልቃ ግዜ: ናይ ኤርትራ ብደቂ ኣንስትዮ ተመዝጊቡ ዝጸንሐ ሰዓት ከምኡ'ውን ቅድሚ ሕጂ ብኬንያዊት ማርጋሬት ኣጋይ ተመዝጊቡ ዝነበረ ሰዓት ብምምሕያሽ'ያ ክብረ ወሰን ሒዛ። ትማሊ ድማ ነቲ ባዕላ ሒዛቶ ዝጸንሐት ክብረ ወሰን ብኣስታት ሓደ ደቂቕን 24 ካልኢትን ከተመሓይሽ ክኢላ ኣላ። ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ማራቶን፡ ኢትዮጵያዊት ጎተይቶም ገብረስላሱ ናይ ቻምፕዮና ዓለም ግዜ ብምምሕያሽ ቀዳመይቲ ኮይና ክትኣቱ እንከላ፡ ኬንያዊት ጁዲዝ ኮሪር ካልኣይቲ እስራኤላዊት ሳልፔተር ኸኣ ሳልሰይቲ ብምዃን’የን ውድድረን ዛዚመን። ብሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ናይ 10 ሽሕ ሜትር ውድድር ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣትለት ራሄል ዳንኤል ዘመዝገበቶ ዓወት’ውን ኣብ ታሪኽ ኣትለቲክስ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ዓለማዊ ቻምፕዮና እቲ ዝበለጸ ውጽኢት ክኾነላ ክኢሉ’ዩ። ኣትለት ራሄል ዳንኤል ነቲ፡ ኢትዮጵያዊት ለተሰንበት ግደይ፡ ኬንያውያን ሄለን ኦቢሪን ማርጋረት ኪፕከመባይን ዝተዓወታሉ ውድድር ንውርይቲ ሆላንዳዊት ኣትለት ሲሃን ሓሰን ተኸቲላ’ያ ሓሙሸይቲ ኮይና ውድድራ ዛዚማ። ኣብ ጎኒ ራሄል ዳንኤል ብምዃን ዝተሰለፈት ኤርትራዊት ዶልሺ ተስፉ’ውን ንውድድራ ብ31 ደቒቕ፡ 49 ካልኢትን 29 ንኡስ ካልኢትን ብምዝዛም ኣብዚ ወቅቲ ካብ ዘካየደቶ ውድድራት እቲ ዝበለጸ ግዜ ከተመዝግብ ክኢላ’ያ። ብሰንበት ኣብ ዝተኻደ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ውድድር ማራቶን፡ ኢትዮጵያውያን ኣትለታት ታምራት ቶላን ሞሲነት ገረመውን ቀዳማይን ካልኣይን ኮይኖም ክኣትዉ እንከለዉ ቤልጂማዊ በሽር ኣብዲ ሳልሳይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ። ኤርትራ ንማሮቶን ክወዳደሩ ኣርባዕተ ተጻወትቲ ቀሪባ እኳ እንተነበረት እቲ ሓደ ተጠባባቒ ብምንባሩ ሰለስተ ተጻወትቲ እያ ኣሳቲፋ። ዑቕበ ክብሮም ንውድድሩ ብ 2 ሰዓት፡ 9 ደቒቕን 2 ካልኢትን መበል 16 ኮይኑ ብምውጻእ ኣብቲ ውድድር ካብ ኤርትራውያን ዝሓሸ ግዜ ከመዝግብ እንከሎ፡ ካብ ቀዳማይ ግን ልዕሊ 3 ደቒቕ ደንጉዩ’ዩ ኣትዩ። ኣብቲ ውድድር ጎይትኦም ክፍለ መበል 22 ህዝቅኤል ተወልደ ኸኣ መበል 44 ብምዃን ዛዚሞም። ጎይትኦም ክፍለን ህዝቅኤል ተወልደን ዝበለጸ ኣብ ማራቶን ኣመዝጊበሞ ዝነበሩ ግዜ ማዕረ 2 ሰዓት 7 ደቒቕን 25 ካልኢት እዩ ነይሩ። ኣብ ናይ 10,000 ሜትር ደቂ ተባዕትዮ’ውን ኤርትራ ዓወት ክሰልጣ ኣይክኣለን። ኣብቲ ኡጓንዳዊ ጆሽዋ ቸፕተጉ ኬንያዊ ዋይታካ ምቡሩ ኡጓንዳዊ ጃኮብ ምቡሩ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዝወጽእሉ ውድድር ሃብቶም ሳምኤል ብ28 ደቒቕ፡ 1 ካልኢትን 81 ንኡስ ካሊትን መበል 17 ዛዚሙ። ኤርትራ ብሕጂ ዝተርፋ ጸወታ ኣትሌት የማነ ገብረስላሰ ዝወዳደሮ ናይ 3,000 ሜትር መሰናኽል፡ ራሄል ዳንኤልን መርሃዊ መብራህቱን ዘካይድዎ ናይ 5,000 ሜትር’ዩ።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1j5d5nk2mo"} {"headline":"ኤሎን መስክ ንማንቸስተር ዩናይትድ ክዕድግ እየ ምባሉ ንዋዛ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ","content":"ወናኒ ትካል መፍረዪ ኤሌክትሪክ መካይን ቴስላን ስፔስ ኤክስን ኤሎን መስክ ኣቓልቦኡ ናብ ኩዕሶ እግሪ ብምቕያር ንጋንታ ማንቸስተር ዩናይትድ ክዕድግ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ። እቲ ቢልየነር ብዙሓት ኣካታዕቲ ሓሳባት ኣብ ዘካፍለሉ ትዊተር \"ንማንቸስተር ዩናይትድ ክገዝኣ እየ\" ዝብል ሓጺር መልእኽቲ ምጥቅዑ ንዋዛ ከምዝነበረ ፀኒሑ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ኣፍሊጡ'ሎ። ነታ እንግሊዛዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ \"ክገዝኣ እየ\" ካብ ምባል ሓሊፉ ካልእ ዘስፈሮ ዝርዝር ነገር ኣይነበረን። ንዩናይትድ ክዕድጋ እየ ምባሉ ግን ደገፍቲ እታ ጋንታ ሓጎስ ዝፈጠረሎም ይመስል። ጋንትኦም ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ናብ ቅልውላው ውፅኢት ዝኣተወት ደገፍቲ፡ መስክ ንዩናይትድ ክሕዝ ዘለዎም ባህጊ ብማሕበራዊ ሚድያ ይገልፁ ኣለው። ዋላ'ኳ እታ ጋንታ ንኤሪክ ቴን ሃግ ኣብዚ ዓመት ብኣሰልጣንነት እንተመዘዘት ኣብ ቀዳሞት ክልተ ጸወታታት ስዕረት ኣጋጢምዋ'ሎ። ኣብ ቀጻሊ ሰሙን ድማ ኣብ ሜድኣ ንሊቨርፑል ከተአንግድ ኢያ። ቢልየነር ዓለምና ኤሎን መስክ ነታ ጋንታ ክዕድጋ ምዃኑ ብትዊተር ዝገለፀ፡ ደገፍቲ ንተኸታታሊ ምንቁልቋል ውፅኢት ስዒቡ ናብ ካልእ ዓዳጊ ክትሰጋገር ኣለዋ ብዝብል ኣብ ልዕሊ ወነንቲ እታ ጋንታ ዝኾኑ ስድራ ግሌዘር ድምፂ ተቓውሞ ኣብ ዘስምዑሉ ዘለዉ እዋን እዩ። ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ኣብ ዝጀመረሉ እዋን እውን እንተኾነ እቲ ተቓውሞታት ቀፂሉ ኣሎ። ማንቸስተር ዩናይትድ ቀዳሞት ክልተ ተኸታተልቲ ስዕረት ምእንጋዳ ስዒቡ፡ ደገፍታ ኣብ ዝመጽእ ሰኑይ ምስ ሊቨርፑል ኣብ ዝካየድ ጸወታ ኣንጻር ወነንቲ ሰፊሕ ተቓውሞ ከስምዑ መደብ ከምዘለዎም ይግለፅ። ናብ ሜዳ ብዘይምእታው፡ ዘለዎም ቁጥዐ ክገልፁ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጓስጓስ ኣብ ምክያድ ይርከቡ። ኣብ ሞንጎ'ዚ እዩ ኤሎን መስክ ነታ ጋንታ ናይ ምዕዳግ ድልየት ዘርኣየ። ዩናይትድ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ምስ ብሬንትፎርድ ኣብ ዝገበረቶ ጸወታ 4 ብ 0 ከቢድ ስዕረት ኣጋጢምዋ ነይሩ። መስክ ኣብታ ኔልሰን ማንዴላ (ማዲባ) ዝተወልደላ ከተማ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ እዩ ተወሊዱ። ፕሪቶርያ ንኦሊቨር ታምቦ፡ ዴዝሞንድ ቱቱ፡ ኔልሰን ማንዴላ ዘፍረየት እያ። ኣደኡ ጻዕዳ ካናዳዊት ሞዴል ኮይና ወይዘሮ \"መይ\" ከኣ ትበሃል። ብእንግሊዝኛ ምናልባት \"ግንቦት\" ክትርጐም ይኽእል እዩ። ኣቦ ኤሎን ሓደ ካብቶም ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኰይኑ ስሙይ ነጋዳይ እዩ፤ ተራ ነጋዳይ ዘይኮነ በሊሕ ሓንጎል ዝነበሮ ፍሉይ ዝትዕድልቱ ነጋዳይ። ኤሎን መስክ ናይ ዓለም ቁፅሪ ሓደ ሃብታም ሰብ ከምዝኾነ መጽሔት ፎርብስን ብሉምበርግን ይሕብራ። ዝጭበጥን ዘይጭበጥን ውጹእ ሃብቱ 250 ቢሊዮን ዶላር ዝበፅሐ ኮይኑ፡ ነቲ ንዓመታት ቁጽሪ ሓደ ዝነበረ ወናኒ ኣማዞን ጄፍ ቤዞስ ብብዙሕ ሚልዮናት ሓሊፍዎ'ሎ። መብዛሕትኡ ሃብቲ ኤሎን መስክ ካብቲ ዘይተጸበዮ ናይ ቴስላ ናይ ብርኪ ብጽሒት ዝመጽአ እዩ። ንሱ ኣብ ኩባንያ ቴስላ 17 ሚእታዊት ብጽሒት ኣለዎ። ሃብታም ዓለም ኤሎን መስክ ኣብ ናይ ትዊተር ዕድጊት ውዕሊ ዝተጠቐሱ ብዙሓት ነገራት ስለዘይተኸበሩ ንትዊተር ብ44 ቢልዮን ዶላር ንምግዛእ ኣትይዎ ካብ ዝነበረ ውዕሊ ንገዛእ ርእሱ ከምዘንሳሕበ'ዩ ተገሊጹ። ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ቦርድ ትዊተር ነቲ ማሕበራዊ ሚድያ ንኤሎን መስክ፡ ብ44 ቢልዮን ዶላር፡ ንምሻጥ ተሰማሚዑ ከምዝነበረ ይዝከር። መስክ ንትዊተር ካብ ምግዛእ ዘንሳሕበ፡ እቲ ትካል ቁጽሪ ስኑዓት ገጻት ትዊተር ክንደይ ከምዝኾኑ እኹል ሓበሬታ ከቕርብ ብዘይምኽኣሉ ከምዝኾነ ሓቢሩ። ትዊተር ብወገኑ እቲ ናይ ዕድጊት ውዕሊ ተፈጻሚ ንክኸውን ሕጋዊ ስጉምትታት ንምውሳድ መጽናዕትታት የካይድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። “ቦርድ ትዊተር ምስ ኤሎን መስክ ብዝተበጽሐ ዋጋን ውዕላትን መሰረት ንኽፍጸም ጽኑዕ ድልየት ኣለዎ” ክብል ኣካቢ ቦርድ ትዊተር ብሬት ተይለር ኣብ ትዊተር ገጹ ሓቢሩ።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c6pe1n240jxo"} {"headline":"ቢንያም ግርማይ ኣብ ውድድር ጂሮ ዲ’ኢታልያ ክቕጽል ከምዘይከኣለ ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ዓስራይ መድረኽ ጂሮ ዲ'ኢታልያ ታሪኽ ዝሰርሐ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ካብቲ ውድድር ከምዝተኣለየ ኣፍሊጡ። ቢንያም ግርማይ ትማሊ፡ ኣብ መድረኽ ግራንድ ቱር ዝተዓወተ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ብምዃን፡ ኣብ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ሓድሽ ታሪኽ ኣመዝጊቡ'ዩ። እንተዀነ፡ ዓወቱ ንምጽንባል ኣብ መድረኽ -ፖዲየም ደይቡ፡ ሻምፓኝ ክኸፍት እንከሎ ብመኽደኒ ጠርሙዝ ጸጋመይቲ ዓይኑ ስለዝተሃርመ፡ ሎሚ ክወዳደር ከም ዘይክኣለ ገሊጹ። ትማሊ ብኡ ንብኡ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ ሕክምና ምስ ተገብረሉ፡ ነቲ ዝተጐናጸፎ ዓብዪ ዓወት ምስ ደቂ ጋንታኡ ብፍሉይ ጸንቢሉዎ'ዩ። እንተኾነ፡ ናብቲ ሎሚ ዝካየድ ውድድር ክምለስ ኣይክኣለን። ተጻዋቲ ኢንተርማርሸ ዋንቲ ጎበርት ቢንያም ሕጂ \"ድሓን\" እየ \"ግን ድማ ክሓዊ ኣለኒ\" ኢሉ። \"በቲ ዘጋጠመ ነገር ቁሩብ ሓዚነ'የ፤ ደቂ ጋንታይ'ውን ቁሩብ ሰጊኦም ነይሮም። ዓይነይ ዚያዳ ዕረፍቲ ክረክብ ስለ ዘለዎ ግን ሎሚ ናብቲ ውድድር ኣይምለስን። ሕጂ ድሓን እየ፤ ኩሉ ንዘርኣየኒ ድጋፍ የመስግን\" ክብል ቃሉ ሂቡ። ወዲ 22 ዓመት ኤርትራዊ ቢንያም፡ ኣብ ዓስራይ መድረኽ ውድድር ጂሮ ዲ ኢታልያ፡ ንማቲው ቫን-ደር-ፖል ብቕጽበታዊ ውድድር [ቮላታ] ስዒሩ እዩ ነዚ ዓወት'ዚ ተጐናጺፉ ዘሎ። እቲ ዝረኸቦ ዓወት \"ክእመን ዘይክእል\" ብምባል ዝገለጾ ኮይኑ፡ ኣብቲ ድሕረ-ውድድር ዝወሃብ ጋዜጣዊ መግለጺ ድማ ክሳተፍ ኣይከኣለን ነይሩ። ንፈለማ እዋን ኣብ ግራንድ ቱር ዝሳተፍ ዘሎ ቢንያም፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣብ ቤልጅም ኣብ ዝካየድ ቅድድም ዎርልድ ቱር ገንት ወቨልገም ድሕሪ ምዕዋቱ ኣብ ጂሮ ዲ'ኢታልያ ናብ ናይ መድረኽ ዓወት ክበጽሕ ከም ዝኽእል ብኣግኡ ተገሚቱ ነይሩ እዩ። ተቐዳደምቲ ትማሊ ሰኑይ ኣዕሪፎም ድሕሪ ምውዓል ፡ ትማሊ ካብ ወደባዊት ከተማ ፓስካራ ናብ ጀሲ ዝተኻየደ 194 ኪሎ ሜትሮ ዝሸፈነ ውድድር ገይሮም። ቢንያም ነቲ ውድድር ብ 4 ሰዓት 32 ደቒቅን 7 ካልኢትን ብማእከላይ ገምጋም 43.2 ኪሜ እናተሓምበበ እዩ ዛዚምዎ። ሎሚ ረቡዕ፡ መበል 11 መድረኽ ውድድር ጂሮ ዲ ኢታልያ፡ ካብ ሳንታርካንጀሎ-ዲ-ሮማኛ ክሳብ ረጂዮ ኢሚልያ 203 ኪ.ሜ. ዝሽፍን ናይ ጐልጐል ውድድር ከካይድ እዩ።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61489973"} {"headline":"95 ን 0 ከምኡ’ውን 91 ን 1 ዝተዛዘሙ ጸወታታት ኩዕሶ እግሪ መርመራ ክካየደሎም እዩ","content":"ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ሴራልዮን፡ 95 ን 0ን 91 ን 1ን ዝተዛዘሙ ክልተ ግጥማት ኣመልኪቱ ምርመራ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ። ፌደረሽን ኩዕሶ እግሪ እታ ሃገር፡ ኣብ ክልተ ጸወታታት 187 ሸቶታት ምምዝጋቡ፡  \"ዘሕፍር\" ኢሉዎ። ኣብ ካልኣይ ዙር፡ ሊግ ኩዕሶ እግሪ ሴራሊዮን፡ ካሁንላ ሬንጀርስን ጋልፍ ካኖን ዝተብሃላ ክለባት እየን ንመጋጥምተን ብዓቢ ፍልልይ ስዒረንአን። ክለብ ካሁንላ ንሉምቤቡ ዩናይትድ 95 ብ 0 እንትትስዕራ፤ ጎልፍ ኮኖ ንኮክዩም ለበና 91 ን 1 ስዒራታ። ኣብዘን ጸወታታት ዝተመዝገበ በዝሒ ሸቶታት ኣብ ታሪኽ ሴራሊዮን ተራእዩ ዘይፈልጥ ብምዃኑ፡ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ እታ ሃገር ነቲ ውጽኢት ሰሪዝዎ ኣሎ። እንተዀነ፡ ክልቲአን ጋንታታት ንመጋጥምተን ስዒረን ናብ ላዕለዋይ ጫፍ ፕሪምየር ሊግ ሓሊፈን እየን። ኣብ ቀዳማይ ፈረቓ፡ ተዓወትቲ ጋንታት ንመጋጥምተን ብ2 ን 0፡ 7 ን 1 ይመርሓ ነይረን። ድሕሪ ዕረፍቲ ግን ኣብ ክልቲኡ ጸወታታት ዝተመዝገቡ ልዑል ሸቶታት ኮነ ኢልካ ዝተመዝገቡ  ከምዝዀኑ እዩ ጥርጣረ ዘሎ። ፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ እታ ሃገር ቶማስ ቢማ ንቢቢሲ ስፖርት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ንኸምዚ ዝበለ ዘሕፍር ተግባራት ኣይንዕገስን፡ ግቡእ መቕጻዕቲ ድማ ይጽበዮም\" ኢሉ። “ህጹጽ መርመራ ክንጅምርን ተሓተትቲ ዝኾኑ ሰባት ከነለልን ኢና። . . እቶም ገበነኛታት ኮይኖም ዝተረኸቡ ድማ ብመሰረት ሕጊ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ሴራሊዮን ክቕፅዑ እዮም፤ ንኮሚሽን ፀረ ግዕዝይና እታ ሃገር ድማ ኣሕሊፍካ ክወሃቡ እዮም” ኢሉ ፕረዚደንት ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ እታ ሃገር። ዋና ኣካያዲ ስራሕ ብሰፊሕ ፍልልይ ዝተዓወተ ክለብ፡ ካሁንላ ሬንጀርስ፡ ነቲ \"ኣንጻር ስፖርታዊ ጨዋነት” ክብል ዝገለጾ ፍጻመ፡ ብትሪ ከምዝኹንኖ ገሊጹ። በቲ ክለብ ዝተሳዕረ ኣሰልጣኒ ሉምቤቡ ዩናይትድ ብወገኑ፡ \"ውጽኢት ጸወታ ንምቕያር ኮነ ኢልካ ዝተገብረ ፈተነ ከምዝነበረ ኣይፈልጥን\" ኢሉ። ኣሰልጣኒ መሓመድ ያን ጃሎህ ዝመርሓ ጋንታ ድማ፡ 95 ብ 0 ተሳዒራ ከምኡ ድማ  3 ተጻወትታ ብቀይሕ ተባሪሮምዋ እዮም ። “ውጽኢት ናይቲ ጸወታ ንምቕያር ዝተገበረ ነገር እንተሃልዩ ኣይፈልጥን። ብዛዕባ ካልኦት ግን ክዛረብ ኣይክእልን እየ” ኢሉ። “ኣብ ካልኣይ ዙር ብዙሕ ሸቶታት ተመዝጊቡና። ኣዝየ እየ ተረቢሸ። . . ክንደይ ሸቶታት ከም ዝተመዝገበና’ኳ ኣይፈለጥኩን።” ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ሴራሊዮን፡ ተጻወትን ኣካየድቲ ስራሕን እዘን ኣርባዕተ ክለባት፡ ነተን ፀዋታት ዝመርሑ ዳያኑን ኣባላት ማሕበር ኩዕሶ እግሪ እቲ ከባቢን ክምርምር ምዃኑ ኣፍሊጡ።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cl7gx4gqjvjo"} {"headline":"ኣፍካ ማይ ዘምዑግ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 2022","content":"ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ዓመተ 2022፡  24 ሰነ ከምኡ’ውን 26 ሰነ ክካየድ ምዃኑ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ሃገራዊ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣቶ  ገብረትንሳኤ ዳምር ንቢቢሲ ሓቢሩ። ኣቶ ገብረትንሳኤ ዳምር 24 ሰነ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር 26 ሰነ ኸኣ ናይ ጽርግያ ውድድር ክካየድ ምዃኑ ኣብሪሁ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ቅድድም፡ ኣብ ናይ ኣውሮጳ ውድድር ዓቢ ሽም ረኺቦም ዘለዉ ከም ብዓል ቢንያም ግርማይ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ መርሃዊ ቅዱስ፡ ሄኖክ ምሉብርሃን፡ መርሃዊ ቅዱስን ካልኦት ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምትን ክሳተፉ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ። ኣቶ ገብረትንሳኤ ዳምር “ንሕና ትጽቢትና ብምልኦም እቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምትና ክምጽኡ እዩ፡ ክሳብ ሕጂ ኸኣ ናይ ብዓል ቢንያም [ኣብ ኣስመራ ስለ ዘሎ]፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ሄኖክ ሙሉብርሃንን  መርሃዊ ቅዱስን ሎሚ ኣስመራ ክኣትዉ’ዮም። ሓደጋ ኣጋጢምዎ ዝነበረ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር’ውን ‘ሪካቨር’ ገይሩ ክወዳደር ምዃኑ ኣንፊቱልና ኣሎ” ኢሉ። ኣቶ ገብረትንሳኤ ብምስዓብ፡ እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ምስ ክለባትን ብውልቅን ዝወዳደሩ ኩሎም ተቐዳደምቲ’ውን ነዚ ውድድር ድልዋት ምህላዎም ገሊጹ። እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ኣዝዩ ዝፈልዮ፡ ኣብ ናይ  ኣውሮጳ ውድድራትን ጂሮታትን ዓወታት ዝተጎናጸፉ ተቐዳደምቲ ዝሳተፍዎ ስለዝኾነ እዩ። ተቐዳደምቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዓመተ 2022 ዝተፈላላየ ዓወታት’ዮም ሓፊሶም። ለላህመቱ’ኳ እንተጠቐስና፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ዕዉት ዙር ርዋንዳ እዚ ዓመት ከምኡ’ውን ኣብ ውድድር ኣድርያቲካ ኣዮኒካ ኣብ ናይ ግዜ ካልኣይ ከምኡ’ውን ኣንበሳ ዓቐበት እቲ ውድድር፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብ ግብጺ ኣብ ዝተኣንገደ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ፡ ተሸላሚ ወርቂ መዳልያ ምዃኑ ይዝከር። ኣብ ጎዶናታት ኣስመራ፡ ጎቦታት ኤርትራን ዳናጉኡ ስሒሉ፡ ብ27 መጋቢት ኣብ ቤልጂም ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ገንት ወቨልገን ብዘደንቕ ቅጽበታዊ ውድድር ቀዳማይ ኮይኑ ብምእታው ንዕኡ፡ ንጋንትኡ፡ ንሃገሩን ንኣፍሪቃን ቦኽሪ ዓወት ውድድር ክላሲክ ከመዝግብ ክኢሉ እዩ። ብ17 ግንቦት’ውን ኣብ ዓስራይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታሊ ተዓዋቲ እቲ መድረኽ ብምዃን ኣብ ግራንድ ቱር ቀዳማይ ዝወጽአ ኣፍሪቃዊ ብምዃን ታሪኻዊ ዓወት ኣመዝጊቡ ነይሩ፡ እቶም ነቲ ኣብ ኣውሮጳ ዓወት ዝተጎናጸፈሉ ውድድራት ብመስኮት ተለቪዥን ብኣንክሮ ክዕዘብዎ ዝጸንሑ ደገፍቱ ኣብ ኣስመራ ክዕድር ክርእይዎ ኸኣ ኣፍካ ማይ ዘየምዑግ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ 25 ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ኣብቲ እዋን ምስ ጋንታ ኣስታን ዝወዳደር ዝነበረ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳሚ መርሃዊ ቅዱስ ከመዝተዓወተ ዝዝከር ኮይኑ፡ መርሃዊ ቅዱስ ኣብዚ ኣብ 24 ሰነ ዝካየድ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ክብሩ ንምዕቃብ’ዩ ክወዳደር። ዓሚ ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ኣድያም ተስፍኣለም ምዕዋታ ዝዝከር እዩ። ኣብቲ ዓሚ ዝተኻየድ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ናይ ደቂ ተባዕትዮ ውድድር ጴጥሮስ መንግስ፡ ካብ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ዳናይት ፍጹም ክዕወቱ እንከለዉ፡ ካብ ማእከላይ ዕድመ፡ ጁንየር፡ ድማ ሚልክያስ ቅዱስን ሞናሊዛ ኣርኣያን’ዮም ተዓዊቶም ነይሮም። ኣብቲ 24 ሰነ ዝካየድ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ካብ ጸጸራት ናብ ጻዕዳ ክርስትያን ኣብ ዝወስድ ጽርግያ እዩ ክካየድ። እቲ 26 ሰነ ዝካየድ ናይ ጽርግያ ውድድር ክኣ ካብ ባሕቲ መስከረም ተበጊሱ፡ ማይ ጨሆት፡ ጎደና ዓፍዓበት፡ ፈርቶ፡ ቤት ትምህርቲ ባርካ ሓሊፉ ብኢንሹራን ገይሩ ኣብ  ሜዳ ባሕቲ መስከርም [ሓንቲ ዙር 11.1 ኪሎሜተር ] ዝዛዘም ከምዝኾነን ንተቐዳደምቲ በብዲቭዥኖምን ጾቶኦምን ዝተፈላላየ ርሕቀት ተሰሊዕሎም ከም ዘሎ ኣቶ ገብረትንሳኤ ገሊጹ። ናይ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ግዜ ውድድር ጁንየር ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓደ ዙር 9.17 ኪሎ ሜትር ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 23 ዓመት፡ ክልተ ዙር 18 ኪሎ ሜትር ኢሊት ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣርባዕተ ዙር 36 ኪሎ ሜትር ናይ ደቂ ተባዕትዮ ናይ ግዜ ውድድር ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ፡ ክልተ ዙር 18 ኪሎ ሜትር ደቂ ተባዕትዮ ናይ እሊትን ትሕቲ 23 ዓመት፡ ኣርባዕተ ዙር 36 ኪሎ ሜትር ቅድሚ ሕጂ ብናይ ግዜ ውድድር ቻምፕዮን ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮ 2021፡ መርሃዊ ቅዱስ 2020፡ ብምኽንያት ኮረና ውድድር ኣይተኻየደን 2019: ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሁር 2018: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት 2017: መኽሰብ ደበሳይ 2016: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት 2015: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት 2014: ናትናኤል ብርሃነ 2013: መትከል ክፍላይ 2012: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት 2011: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣብ 27 ሰነ 2021 ኣብ ዝተኻየደ ናይ ጽርግያ ውድድር ኣብዚ እዋን ምስ ጀርመናዊት ጋንታ ብምዃን ውድድራቱ ዘካይድ ዘሎ ዳዊት የማነ ንመርሃዊ ቅዱስን መትከል እዮብን ኣኸቲሉ ቻምፕዮን ኤርትራ ዓመተ 2021 ምዃኑ ይዝከር። ኣብቲ ዓሚ ዝተኻየደ ውድድር ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ተቐዳዳማይ ጋንታ ሰንበል ኤፍሬም ገብረህይወት’ዩ ቻምፕዮን ኮይኑ ነይሩ። ናይ ጽርግያ ደቂ ኣንስትዮ ውድድር ሲንየር ደቂ ኣነስትዮ፡ 6 ዙር 60.6 ኪሎ ሜትር ደቂ ኣንስትዮ ሲንየርን ትሕቲ 23 ዓመትን፡ 11 ዙር 111.1 ኪሎሜትር ናይ ጽርግያ ደቂ ተባዕትዮ ውድድር ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ፡ 11 ዙር 111.1 ኪሎሜትር ት ደቂ ተባዕትዮ ሲንየርን ትሕቲ 23 ዓመትን 17 ዙር፡ 171.1 ኪሎሜር \\n\\nኣብ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ቀዳማይ ኮይኑ ዝዛዘመ ተቐዳዳማይ፡ ብዘይካ እቲ ዝረኽቦ ክብሪ ቻምፕዮንነት ምስ ዝኾነት ጋንታ ኮይኑ ኣብ ዝገብሮ ውድድራት ባንዴራ ኤርትራ ዘለዋ ማልያ ገይሩ'ዩ ዝወዳደር። ቅድሚ ሕጂ ሻምፕዮን ኤርትራ ዝኾኑ ተቐዳደምቲ 2021፡ ዳዊት የማነ 2020፡ ብምኽንያት ኮሮና ኣይተኻየደን 2019: ናትናኤል ብርሃነ 2018: መርሃዊ ቅዱስ 2017: ሜሮን ብርሃነ 2016: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት 2015: ናትናኤል ብርሃነ 2014:ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር 2013: ሜሮን ተሾመ 2012: ዳንኤል ተክለሃይማኖት 2011: ፍረቃልሲ ደበሳይ","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cz94l93pp4no"} {"headline":"ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝካየደሉ እዋን ተቐይሩ","content":"ኣብ ዝመጽእ ዓመት 2023 ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ዋንጫ ኣፍሪቃ ንኽናዋሕ ከምዝተወሰነ፡ ፕረዚደንት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ፓትሪስ ሞሰፐ ኣፍሊጡ። እቲ ውድድር ኣብ ዝመጽእ ዓመት ካብ ሰነ ክሳብ ሓምለ ኣብ ኣይቮሪኮስት ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብታ ሃገር ብርቱዕ ዝናብ ዝዘንበሉ ግዜ ብምዃኑ ግን ናብ 2024 ተናዊሑ'ሎ። ደቡብ ኣፍሪቃዊ ፕረዚደንት ካፍ ሞሰፐ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ \"ብሰንኪ'ቲ ዝህሉ ኵነታት ኣየር ዝኾነ ነገር ክንገብር ኣይንኽእል\" ኢሉ። ዋንጫ ዓለም ካብቲ ዝተለመደ እዋን ብዝተፈለየ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ወርሒ ሕዳርን ታሕሳስን ዝካየድ ብምዃኑ፡ በዚ ምኽንያት ከኣ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ ኣክንዲ ናብ ቅድሚት ዝሰሓብ፡ ናብ ዝቕጽል ዓመት ክሰጋገር ተወሲኑ'ሎ። በዚ ምኽንያት ድማ ዋንጫ ኣፍሪቃ ልክዕ ከምቲ ኣብ ካሜሩን ዝነበረ ካብቲ ልሙድ ብዝተፈለየ ኣብ ወርሒ ጥሪን ለካቲትን ክካየድ እዩ። ጋንታታት ኤውሮጳ ገና ኣብ ግጥማት እናሃለዋ ንዝካየድ ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ተጻወትቲ ናብ ሃገሮም ክኸዱ ከፍቅዳ ኣብ ዝሕተታሉ እዋን ንዝፍጠር ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ብዝብል፡ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ (ካፍ) ዋንጫ ኣፍሪቃ ካብቲ ብስሩዕ ዝካየደሉ ዝነበረ ወርሒ ጥሪን ለካቲትን ናብ ሰነን ሓምለን ከሰጋግሮ ኣብ 2017 ከም ዝወሰነ ይዝከር። ፕረዚደንት ካፍ፡ \"ብሰንኪ ኣብ ኤውሮጳ ዘለዋ ክለባት ዘካይዳኦ ግጥም፡ ወርሒ ጥሪ ንግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝምችእ ኣይኮነን፡ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ዘለና እንኮ ኣማራጺ ንሱ'ዩ\" ኢሉ። ብመሪሕነት ፕረዚደንት ካፍ ነበር ኢሳ ሓያቱ፡ ምስግጋር እዋን ናይቲ ኣብታ ኣህጉር ዝካየድ ግጥማት ዋንጫ ተነጺጉ ምፅንሑ ይፍለጥ። ተካኢኡ ዝኾነ ማዳጋስካራዊ ኣሕመድ ኣሕመድ፡ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጸ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ምስ ኣባል ሃገራት ብምዝርራብ ነቲ ለውጢ ኣጽዲቕዎ። ዋና ጸሓፊ ካፍ ቨሮን ሞሰንጎ ኦምባ ከም ዝብሎ፡ ዋላ'ኳ ኣብታ ኣህጉር ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዘሎ ኵነታት ኣየር ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝፈላለየ እንተዀነ፡ እቲ ውድድር ናብቲ ቅድም ዝካየደሉ ዝነበረ ወርሒ ጥሪን ለካቲትን ናይ ምምላስ ድሌት የለን። ሰነን ነሓሰን ወቕቲ ዝናብ ምዃኑ እናተፈለጠ፡ እቲ ውድድር ዝካየደሉ እዋን ናብ ካልእ እዋን ናይ ምንዋሕ ውሳነ ንምንታይ ከምዝተደናጐየ ዝተሓተተ ካፍ፡ \"እታ ኣአንጋዲት ሃገር ንኽጥዕማ\" ብዝብል ከም ዝዀነ ካብ ምግላጽ ሓሊፉ ዝሃቦበ መብርሂ የለን። ፕረዚደንትን ዋና ጸሓፊን ኮንፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ፡ ግጥማት ዋንጫ ደቂኣንስትዮ ኣፍሪቃ ካብ ዝካየደላ ዘሎ ሞሮኮ ኮይኖም'ዮም ዋንጫ ኣፍሪቃ ንሓደ ዓመት ከምዝተናወሐ ወግዓዊ ገይሮም ዘለዉ።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c0knjxzzg1wo"} {"headline":"ውጽኢታዊ ሰዓታት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንደቂኣንስትዮን ደቂተባዕትዮን ዝተፈላለየ እዩ - መጽናዕቲ","content":"ኣብ ዝዀነ ይዅን እዋን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር ጽቡቕ ረብሓ ከምዘለዎ ዝፍልጥ'ዩ። እንተዀነ፡ ዝበለጸ ውጽኢት ዝርከብሉ ሰዓታት ምንቅስቓስ ኣካላት፡ ንደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝተፈላለየ ከም ዝዀነ ሓደ ኣብ ኣመሪካ ዝተካየደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ'ሎ። ደቂኣንስትዮ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣካላዊ ምንቅስቓስ እንተሰሪሐን ዝያዳ ስብሒ ሰብነተን ክቃፀል ዝሓሸ ዕድል ኣሎ። ደቂ ተባዕትዮ ድማ፡ ኣብ ኣጋ ምሸት ዝገብርዎ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝያዳ ውጽኢት ይረኽቡሉ። ኣብ መንጐ ክልቲኡ ጾታ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ሆርሞናት፡ ባይሎጂያዊ ሰዓታት፡ ሰዓታት ድቃስን ምንቃሕን ኣብዚ ውጽኢታውነት ኣካላዊ ምንቅስቓስ እጃም ኣለዎም። እቲ መጽናዕቲ፡ ካብ 25 ክሳብ 55 ዓመት ዕድመ ዝርከቡ\/ባ 30 ደቂተባዕትዮን 26 ደቂኣንስትዮን ብምስታፍ ን12 ሰሙናት ፀኒሑ። ዝተፈላለዩ ዝተፈላለዩ ኣካላዊ ምንቅስቓሳት ከካይዱ ድማ ተሓቲቶም። ሓደ ጕጅለ ንግሆ ቅድሚ ሰዓት 08፡30 [02፡30 ግእዝ] ኣብ ዘሎ ግዜ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክሰርሕ፤ ካልእ ጕጅለ ድማ ተመሳሳሊ ንጥፈታት ካብ ኣጋምሸት ሰዓት 06፡00 ክሳብ ምሸት 08፡00 [12፡00 ክሳብ 02፡00 ኣ.ግ] ክነጥፍ ተገይሩ። ኵሎም ተሳተፍቲ ‘ቲ መጽናዕቲ ዝፈተለየ መግብን ኣመጋግባን ይኽተሉ ነይሮም። ኣብ እዋን እቲ መጽናዕቲ መጠን ድፍኢት ደምን ስብሒ ሰብነትን ናይቶም ተሳተፍቲ ክዕቀን ተገይሩ፤ ተዓፃፃፍነቶም፡ ሓይሎምን ኤሮቢካዊ ዓቕሞምን እውን ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ተፈቲሹ። ኣብቲ ን12 ሰሙናት ዝቐጸለ ፈተነ፡ ኵሎም ዝተሳተፉ፡ ኣበየናይ ሰዓታት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣካይዶም ብዘየገድስ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ጥዕናኦምን ብቕዓቶምን ምምሕያሽ ኣርእዮም'ዮም። \"ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንምግባር፡ እቲ ብሉጽ ግዜ ዝበሃል ክትሰርሕ ምኽኣልካን ምስ መደባትካ ዝጠዓዓም ምግባርካን እዩ\" ይብል ነቲ መጽናዕቲ ዝመርሐን ፕሮፈሰር ጥዕናን ስነልቦናን ዶክተር ፖል ኣርሰሪዮ ካብ ኒውዮርክ ኮሌጅ ስኪድሞር። እንተዀነ፡ ንደቂኣንስትዮን ደቂተባዕትዮን ውጽኢታዊ ዝዀነ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝገብሩሉ ሰዓታት ዝተፈላለየ ክኸውን ከምዘለዎ ዘመልክት ከነታት ከምዘሎ ሓሳብ ይህብ። ብመሰረት ውጽኢት’ቲ መጽናዕቲ፡ ደቂኣንስትዮ ስብሒ ሰብነተንን ፀቕጢ ደምን ንምንካይ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ከዘውትራ ዶክተር ኣርሰሪዮ ይምዕድ። እዚ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ኣብ ከስዐ ዝተኣከበ ስብሒ፡ ከምኡ ድማ ንኸም ፀላም ከብዲን ውሽጣዊ ክፍሊ ኣካላትን ዝሸፈነ ስብሒ ሓደገኛ ስለዝዀነ እዩ። እተን ጨዋዳታተን ንምድልዳልን ሰብነተን ንምህናፅን ዝደልያ ደቂኣንስትዮ ግን፡ ኣብ ሰዓታት ኣጋምሸት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክገብራ እቲ ዶክተር ይሕብር። ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ኵሎም ደቂተባዕትዮ ግዜኡ ብዘየገድስ ብዝሰርሕዎ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ጥንካረ ሰብነት ኣርእዮም'ዮም። ግን ከኣ፡ \"ነቶም ጥዕና ልቦምን ሜታቦላዊ ስርዓት [መግቢ ናብ ሓይሊ ንኽቕየር ኣብ ዋህዮታት ሰብነት ዝካየድ ኬሚካላዊ መስርሕ] ከምኡ ድማ ውሽጣዊ ስምዒቶም ንምምሕያሽ ዝደልዩ ደቂተባዕትዮ\" ኣብ ሰዓታት ኣጋምሸት ዝስራሕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክገብሩ ዶክተር ኣርሰሪዮ ይመክር። 'ሜታቦላዊ' ጥዕና ምሕላው ማለት፡ ንኸም ልዕሊ ዓቐን ርጕዲ ሰብነት፡ ዓይነት-2 ሕማም ሸኮር፡ ሕማማት ልብን ስትሮክን [ወቕዒ] ዝህሉ ተቓላዕነት ምንካይ እዩ ዝኸውን። ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ካብ ዝገብርዎ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝረኽብዎ ረብሓ፡ ኣብቲ ዝሰርሑሉ ሰዓታት ክድረኽ ዝኸኣለሉ ምኽንያት ግን ብንፁር ኣይተፈለጠን። ስለዝዀነ፡ ተወሳኺ መጽናዕቲ ከምዘድሊ እቶም ተመራመርቲ የዘኻኽሩ።","category":"ስፖርት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cl4jek0nll8o"} {"headline":"ዋንጫ ዓለም 2022፡ ንምንታይ’ዩ ነዊሕ ተወሳኺ ግዜ ጸወታ ዝወሃብ ዘሎ?","content":"ኣብ ቐጠር ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም ካብ ዝጅመር ውሑዳት መዓልታት’ኳ እንተገበረ፡ ድሮ ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረ ተርእዮ ከነስትብህል ጀሚርና ንህሉ ኢና። ኣብ ምውዳእ ቀዳማይ እብረን ካልኣይ እብረን መከሓሓሲ ዝባኸነ ግዜ ተባሂሉ ዝወሃብ ተወሳኺ ግዜ ኣዝዩ ይነውሕ ኣሎ። ኣብተን ቀዳሞት ዝተኻየዳ ሓሙሽተ ጸወታታት ጥራይ እንተርኢና ኣብ ኵሉ ግጥማት ዝተዋህበ ተወሳኺ ግዜ ብድምር 85 ደቓይቕ በጺሑ ኣሎ።  እዚ ኸኣ ሓሙሽተ ደቒቕ ወሲኽካ ዳርጋ ሓደ ምሉእ ጸወታ ማለት’ዩ። ኣብ መንጐ ኢራንን እንግሊዝን ዝተኻየደ ጸወታ ከም ኣብነት እንተወሲድና 117 ደቒቕን 16 ካልኢትን ወሲዱ። ብዘይ ተወሳኺ ግዜ ሓደ ጸወታ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እብረ 45 ደቓይቕ፣ ብሓፈሻ 90 ደቒቕ’ዩ። ናይ ኢራንን እንግሊዝን ጸወታ ምስ እንርኢ፡ ሓላው ልዳት ኢራን ዓሊረዛ በይራንቫንድ ምስ ወዲ ጋንታኡ ብርእሱ ምስ ተጋጨወ፡ ንምሕካሙ ዝባኸነ ግዜ ንምትካእ፡ ብመሰረት ሕጊ ፊፋ ነቲ ንምሕካሙ ዝባኸነ ግዜ ተቘጺሩ ኣብ መወዳእታ ክከሓሓስ ይፍቐድ’ዩ። ኣብ መንጎ’ቲ ትማሊ ብዘደንቕ ኣገባብ ብዓወት ስዑድ ዓረብ ዝተዛዘመ ግጥም ምስ ኣርጀንቲና’ውን እንተርኢና፡ ተጻወትቲ ኣብ ቀዳማይ እብረ ሸውዓተ ደቒቕ ኣብ ካልኣይ እብረ ኸኣ ኣስታት 14 ደቓይቕ’ዩ ተወሲኽዎም። እቲ ምኽንያት ኣብ ሜዳ ዘጋጥም ማህረምቲ ተጻወትቲ፡ ዳያኑ ኣብ ቫር [ቪድዮ ኣሲስታንት ሪፈሪ] ንምርኣይ ዘባኽንዎ ግዜ፡ ተጻወትቲ ንምቅያር፡ ፍጹም ቅላዕ ንኽህረም፡ ቀይሕ ካርድ ኣብ ዝወሃበሉ እቲ ተጻወታይ ንኽወጽእ ዝወስዶ ግዜ፡ ትመርሕ ዘላ ጋንታ ግዜ ንምብኻን ኵዕሶ ሒዛ ተዕጠጥዮ፡ ነዚ ዅሉ ንምክሕሓስ’ዩ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን እብረ ተወሳኺ ግዜ ዝወሃብ። ኣቦ ወንበር ኮሜተ ዳያኑ ፊፋ ፔርሉጂ ኮሊና፡ ኣብ ቐጠር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም ራብዓይ ዳኛ ነቲ ኣብ መንጐ ጸወታ ዝባኽን ግዜ እናተኸታተለ ግዚኡ መዝጊቡ ንማእከላይ ዳኛ ከምዝሕበር ይግበር ከምዘሎ ይገልጽ። እዚ ኣገባብ እዚ ኣብ 2018 ኣብ ሩስያ ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ተፈቲኑ ምንባሩ’ውን ኮሊና ይሕብር። ኮሊና ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “ኣብ ሩስያ፡ ዝባኸነ ግዜ ኣብ ምክሕሓስ ዝያዳ ጥንቁቓት ንምዃነ ንነፍሲ ወከፍ ካልኢት ክንጽብጽባ ምስ ጀመርና ኢኹም ሽዱሽተ ሸውዓት ሸሞንት ደቂቕ ተወሳኺ ግዜ ክወሃብ ርኢኹም” ኢሉ። “ካብዚ ተበጊስኩም ቅድሚ ዕረፍቲ ሰለስተ ሸቶታት እንተ ተመዝጊቡ፡ ተጻወትቲ ሓጐሶም ንምጽንባል ኣርባዕተ ሓሙሽተ ደቓይቕ ከባኽኑ ክትርእይዎም ኢኹም” ብምባል እዚ ደቓይቕ እዚ ተጸብጺቡ ይከሓሓስ ከምዘሎ ኮሊና ኣብሪሁ። ካብዚ ዝነቐለ ኣብዚ ዋንጫ ዓለም ምስ ተወሳኺ ግዜ ተተሓሒዙ ብዙሕ ክብረ ወሰን ይምዝገብ ኣሎ። ብመሰረት ካብ ኦፕታ ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ኣብዚ ኣብ ቐጠር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም፡ ብዛዕባ ዋንጫ ዓለም ንኽብረ ወሰን ዝምልከት ካብ 1966 ጀሚሩ ጸብጻባት ክምዝገብ ካብ ዝጅምር፡ ኣብ ሰኑይን ሰሉስን ጥራይ ሓሙሽተ ፍርቂ እብረ ዝብዝሓ መከሓሓሲ ዝባኸነ ግዜ ዝተውሃበለን ጸወታታት ተባሂለን ክብረ ወሰን ሒዘን ኣለዋ። እቲ ዘገርም ነገር ከኣ ኣብ ኵሉ እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ተወሳኺ ግዜ ሸቶ ክምዝገብ ምኽኣሉ’ዩ። ኢራናዊ መሕዲ ታራሚ ኣብ ልዕሊ እንግሊዝ ብፍጹም ቅላዕ ዘመዝገባ ሸቶ ኣብ መበል 102 ደቒቕን 30 ካልኢትን እያ ተመዝጊባ፡ በዚ መሰረት ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም [90 ደቒቕ ምስ ተዛዘመ ማዕረ ንዝወጽኣ ጋንታታት መፈላላዪ ተባሂሉ ዝወሃብ 30 ደቂቕ ከይሓወስና] እታ ደንጕያ ዝተመዝገበት ሸቶ ተባሂላ ክብረ ወሰን ሒዛ ኣላ። ንናይ መሕዲ ታራሚ ተኸቲላ ክብረ ወሰን ዝሓዘት ሸቶ፡ ኣጥቃዓይ ሆላንድ ዳቪ ክላሰንን ኣብ ልዕሊ ሰኔጋል ኣብ መበል 98 ደቒቕን 17 ካልኢትን ዘመዝገባ ሸቶ እያ። በዚ ዀይኑ በቲ እዚ ፊፋ ኣብ ቐጠር ጸቒጡ ክሰርሓሉ ጀሚሩ ዘሎ ደቂቕ ምጽብጻብ ዝባኸነ ግዜ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ኣዘራራቢ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። ገለ ንኣሰራርሓ ፊፋ ከድንቝ እንከለዉ፡ ገለ ኸኣ ጸወታ ኵዕሶ እግሪ ካብቲ ልሙድ ንላዕሊ ግዜ ይወስድ ስለዘሎ፡ መቐረቱ ይጐድለና ኣሎ ዝብሉ ኣለዉ። በሉ እቶም ኣብ ሜዳ ኣቲኹም ጸወታ ኣብ ምውድኡ ቀልጢፍኩም ናይ ምውጻእ ልምዲ ዘለኩም፡ ጸወታ ተወዲኡ እናተባህለ ግዜ ተወሲኹ ብዙሕ ቅያታት’ዩ ዝፍጸም ዘሎ’ሞ፡ ናይ መወዳእታ ፊስካ ከይተነፍሐት ካብ መንበርኩም ኣይትተስኡ ዝብል ምኽሪ ይልገሰልኩም ኣሎ።","category":"ፊፋ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cpre21y9wwvo"} {"headline":"ፈነወ ተለቪዥን ኢትዮጵያ ብኸቢድ ከምዝቕጻዕ ፊፋ ኣፍሊጡ","content":"ኢትዮጵያን ብሮድካስቲ ኮርፖረሽን [ኢቢሲ] ነቲ ኣብ ቐጠር ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም 2022 ብዘይ ወግዓዊ ፍቓድ ብቐጥታ ስለዘመሓላለፎ ብኸቢድ ክቅጻዕ ምዃኑ ፊፋ ንቢቢሲ ገሊጹ። ፊፋ፡ ትካል ፈነወ ተለቪዥን ኢትዮጵያ - ኢቢሲ ካብቲ ዝተፈቐደሉ ጸወታታት ወጻኢ ንዋንጫ ዓለም ምምሕልላፉ ነቲ ምስ ፊፋ ዘለዎ ውዕል ዝጥሕስ’ዩ ኢሉ። በዚ መሰረት ፊፋ ምስ ኢቢሲ ዘለዎ ውዕል ከምዘቋረጾ ብምግላጽ፡ “ከቢድ” ስጕምቲ ንምውሳድ ይዳሎ ከምዘሎ ኣፍሊጡ'ሎ። እንተዀነ እቲ ከቢድ ዝበሎ ስጕምቲ እንታይ ምዃኑ ኣይገለጸን። ኢትዮጵያን ብሮድካስቲ ኮርፖረሽን ምስ ፊፋ ዘለዎ ውዕል ስለዝተቛረጸ፡ ነቲ ክሳብ 18 ታሕሳስ ኣብ ቐጠር ዝካየድ ጸወታታት ዋንጫ ዓለም ከመሓላልፎ ኣይክኽእልን’ዩ። ፊፋ፡ ዋላ'ኳ ከምዚ እንተበለ፡ ኢቢሲ ግን ክሳብ ሕጂ ንጸወታታት ዋንጫ ዓለም ምትሕልላፍ ይቕጽል ኣሎ። ፊፋ ከምዝበሎ፡ ብዝዀነ ዓይነት ኣገባብ ፈነወ፡ ቀጥታዊ ፈነወ ተሌቪዥን ይዅን ዲጂታላዊ ኣገባብ ናብ ህዝቢ ምምሕልላፍ ስርቂ ስለዝዀነ፡ ነዚ ኣትሪሩ ከምዝቓለስን ነዚ ንዝፍጽሙ ትካላትን ውልቀሰባትን ከኣ ስጕምቲ ክወስድን እዩ። ኣብ ርእሲኡ ንኸምዚ ዓይነት ተግባራት ንምግታእዓቢይ ወፍሪ ከምዘካይድ ብምሕባር፡ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት መሻርኽቱ ብምዃን ነቲ ጸወታ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ንዘመሓላልፉ ኣለልዩ ደው ንምባሎምን ንምቅጽዖምን ከምዝሰርሕ ሓቢሩ። ኢትዮጵያን ብሮድካስቲን ኮርፖሬሽን [ኢቢሲ] ብዛዕባ እዚ ፊፋ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ይዅን መቕጻዕቲ ኣመልኪቱ ዝሃቦ መልሲ የለን።","category":"ፊፋ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c721kj0md5zo"} {"headline":"ዋንጫ ዓለም 2022፡ ቐጠር ብኤኳዶር ተሳዒራ፣ መኽፈቲ ኸ ከመይ ነበረ?","content":"ኣአንጋዲት ዋንጫ ዓለም 2022 ቐጠር፡ ሰንበት 20 ሕዳር ኣንጻር ኢኳዶር ኣብ ዘካየደቶ ፈላሚ መኽፈቲ ጸወታ፡ ብቐሊሉ 2 ብ 0 ተረቲዓ። ድሕሪ’ዚ ውጽኢት መኽፈቲ ጸወታ፡ ዝዀነ ምስ ቐጠር ዝተኣሳሰር ሰብ እንተወሓደ ንዝቕጽል ሰሙን ነዚ ዝሓለፈ ጸወታ 90 ደቓይቕ ክርስዕ ክደሊ እዩ። እታ ብፈሊክስ ሳንቸዝ እትምራሕ ሃገራዊት ጋንታ፡ ኣብ ምሉእ ‘ቲ ጸወታ ኣድማዒ ፈተነ ከይገበረት’ያ ተሳዒራ ዘላ። ኣብ ታሪኽ ውድድር ዋንጫ ዓለም ድማ፡ ፈላመይቲ ኣብ መኽፈቲ ጸወታኣ ዝተሳዕረት ኣአንጋዲት ሃገራዊት ጋንታ ኰይና’ላ። ሕልሚ ዋንጫ ዓለም ድሕሪ ምግሃዱ እታ ብተስፋ ዝጀመረት መኽፈቲት መዓልቲ፡ ንተጻወትን ደገፍትን ናብ “ሕልሚ ቐትሪ” ክትቅየር ግዜ ኣይወሰደን። ቅድሚ 12 ዓመት፡ ፕረዚደንት ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዓለም - ፊፋ - ዝነበረ ሴፕ ብላተር፡  ፖስታ ቀሊዑ መሰል ምእንጋድ ዋንጫ ዓለም 2022 ንቐጠር ከም ዝተዋህበ ድሕሪ ምግላጹ፡ ብዛዕባ’ታ ሃገር ብዙሕ ተባሂሉ እዩ። ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት፡ ጉዳይ ስደተኛታት ሰራሕተኛታት፡ ኣተሓሕዛ ሕደ-ጾታውነት ዝኣመሰሉ ጉዳያት ነቲ ‘ታ ሃገር ዝገበረቶ ድንቂ ዝዀነ ምድላዋት ኣንጸላልይዎ’ኳ እንተጸንሐ፡ ሰዓታት ቅድሚ’ቲ ናይ ሰንበት መኽፈቲ ጸወታ ካብ ስታድዩም ወጻኢ ግን ልዑል ፍናን ዓሲሉ ነይሩ። ኣባላት ጸጥታ ክሳብ መእተዊ ብኣግማልን ኣፍራስን ተሰሪዖም ክኸዱ እንከለዉ፡ ብኸበሮን ባህላዊ ሳዕስዒት ዓረብ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰባት’ውን ይረኣዩ። ደቂ ዓዲ፡ ድምጾምን ደገፎምን ዝያዳ ዓብላሊ’ኳ እንተነበረ፡ እቶም ነዊሕ ዝተጓዕዙ ደገፍቲ ኢኳዶር’ውን ኣይሓመቝን፣ ብውሁድ ድምጺ፡ ንጋንትኦም ይደርፉን ይጭርሑን ነይሮም። ጸወታ፡ ኣብቲ ብመልክዕ ዳስ በደዊን - ዓረብ ዝተሰርሐ ስታድዮም ኣልበይት ቅድሚ ምጅማሩ፡ ብተዋሳኣይ ሞርጋን ፍሪማን ዝምራሕ ጽባቐ ዝመልኦ ስነስርዓት መኽፈቲ ስነ-ስርዓት፣ ‘ሪግረሽን ሲንድሮም’ ብዘለዎ ቐኒም ኣል ሙፍታሕ ገለ ምዕራፋት ቁርኣን ተነቢቡ። ብተወሳኺ፡ ካብ BTS ዝዀነ ‘ዓለማዊ ሱፐርስታር’ ጁንግ ኩክ ሓዳስ ንጽል ደርፉ፡ ምስ ቐጠራዊ ድምጻዊ ፋሃድ ኣል ቝበይሲ ብሓባር ኣቕሪብዋ። ኣብ ደውሓ፡ ተዓዘብቲ ነቲ ጸወታ ብዓበይቲ ስክሪናት ክዕዘቡ ኣቐዲሞም እዮም ክእከቡ ጀሚሮም። ብዛዕባ’ቲ ቐጠር ሻምፕዮን ኵዕሶ እግሪ ኤስያ ዝዀነቶን፡ ዘለውዋ ምኵራት ተጻወትቲን ዘመዝገብዎ ዓወታትን ካልእን ዝተጻሕፈ ወይ ዝተነግረ ሒደት እዩ። ፈሊክስ ሳንቸስ፡ እታ ጋንታ ዘርኣየቶ ጸወታ፡ ትሕቲ ብቕዓታ ምዃኑ እዩ ዝምጕት። ንሱ ድሕሪ’ቲ ጸወታ፡ \"እዚ ዝተጸበናዮ ውጽኢት ከም ዘይኰነ ርዱእ'ዩ\" ድሕሪ ምባል፡ \"ሕጂ፡ ነቲ ግጥም ክንትንትን፣ ናብ ዝቐጽል ኣድሂብና ነዚ ክንርስዕ ናትና ግደ እዩ፡\" ኢሉ። እቲ ኣሰልጣኒ ኣስዒቡ፡ \"መመኽነይታ ኣየድልን እዩ፣ ነቶም ዓወት ዝግባኦም ኢኳዶራውያን ዮሃና” ኢሉ። “ብዙሕ ክምሓየሽ ዝግባኦ ነገራት ኣሎና፣ በቲ ዝበለጸ ደረጃና ኣይተጻወትናን። ምናልባት እቲ ሓላፍነት ወይ ስምዒታት ገዚኡና ክኸውን ይኽእል'ዩ።\" ተሓሒዙ፡ \"እዚ ዘሰንብድ ጅማረ ንዝተረፈ ጸወታ ዝውስን እዩ፤ እቲ ጸቕጢ ግን ክንርስዖ ኣለና፡\" ክብል ንጋንታኡ ተላብዩ። ቐጠር፡ ኢኳዶራዊ ​​ኤነር ቫለንሽያ ካብ ቀረባ ርሕቀት ብዘመዝገባ ሸቶ ኣብ ቀዳሞት ደቓይቕ ክትቅጻዕ ትኽእል ነይራ።  እንተዀነ ቪድዮ ዳንነት ብዝረኣየቶ ጻውዒት ‘ኦፍሳይድ’፡ ዕረፍቲ ረኺባ ነይራ። እዚ ይዅን እምበር፡ እታ ኣአንጋዲት ሃገር ጸወታኣ ከተመዓራሪ ብዘይምኽኣላ፡ ኣጥቃዓይ ዌስትሃም ነበር ቫለንሽያ፡ ብመገዲ ፍጹም ቅላዕ፡ ድሒሩ ድማ ብርእሱ ብልጽቲ ሸቶ ብምውሳኽ፡ ኢኳዶር ንዕረፍቲ 2ብ0 መሪሓ ክትወጽእ ኣኽኢልዋ። ኤኳዶራውያን መዓልቶም እናስተማቐሩ፡ እቶም ባህላዊ ክዳውንቲ ዓረብ ዝለበሱ ደገፍቲ፡ ብስቕታ ተዋሒጦም፡ ብዙሓት ድማ ጸወታ ገዲፎም ብኣጋ ክወጽኡ ተራእዮም። እንተዀነ ማልያ ሃገራዊት ጋንታኦም ዝተኸድኑ ፍሉያት ደገፍቲ ግን ነታ ጋንታ ክሳብ ምወዳእታ ኣሰንዮምዋ እዮም። ብዙሓት ብጸወታን ውጽኢትን ጋንታኦም ዘይዓገቡ ደገፍቲ ድሕሪ ዕረፍቲ ኣይተመልሱን፤ ሓያለ መናብር ከኣ ኣብ ካልኣይ እብረ ጥርሑ ተሪፉ። ብዛዕባ እዚ ባዶ መንበር ዝተሓተተ ሳንቸዝ፡ \"ሓቂ ንምዝራብ፡ ነዚ ክጥምት ኣብቲ ጸወታ ዓቢይ ስራሕ እዩ ነይሩኒ\" ኢሉ። እቲ ኣሰልጣኒ፡ ኣብ ዝቕጽል ዝሓሸ ተወዳዳርነት ከም ዘርእዩን፡ ደገፍቶም ክኽሕሱን፡ በቲ ሓቀኛ ብቕዓት እታ ጋንታ ክጻወቱን ምዃኖም ቃል ኣትዩ። \"እዚ፡ ካብቲ ዝበለጸ ብቕዓትና ዝረሓቐ'ዩ፣ እዚ ውድድር ሓጺር ስለዝዀነ ንዝቕጽል ጸወታ ተመዓራሪና ክንቀርብ ኢና ንዓና ድማ ዝሓሸ ክኸውን ተስፋ ንገብር” ኢሉ። እንተዀነ፡ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ውድድራት ዝሓሸ ከም ዘይኰነ እዩ ዝግመት። ዝጽበያ ዘሎ ናይ ምድብ ጸወታ ምስ ሰኔጋልን ሆላንድን እዩ። ቐጠር፡ ነቲ ኣብ 2010 ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ምድብ ጸወታታት ዝተገለፈቶ እትደግም ካልኣይቲ ኣአንጋዲት ሃገር ብምዃን ንዘስዕቦ ውርደት ከተወግድ ዘድሊ ምምዕርራይ ክትገብር ከቢድ ሓላፍነት ኣብ ዝባና ኣሎ።","category":"ፊፋ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cx07ql57envo"} {"headline":"ኣፍሪቃ ስለምንታይ'ያ ክሳብ ሕጂ ዋንጫ ዓለም ክትዓትር ዘይክኣለት?","content":"እታ ደው ዘይትብል ሃገራዊት ጋንታ ፖርቱጋል ምስታ ዘይትሕለፍ ሞሮኮ ሎሚ ምሸር ክፋለማ'የን። ጸወታታት ርብዒ ፍጻመ ሎሚ ቀዳም’ውን ዝቕጽል ኮይኑ ሞሮኮ ኣንጻር ፖርቱጓል [ሰዓት ሽዱሽተ ድሕሪ ቀትሪ] እንግሊዝ ኣንጻር ፈረንሳ [ሰዓት ዓሰርተ ምሸት] ተራኺበን ቀጻሊ ዕድለን ክፈልጣ እየን። ፖርቱጋል ኣብቲ፡ ኮኾብ ተጻዋታያ ዘየሰለፈትሉ ናይ ርብዒ ፍጻመ ግጥም፡ ንስዊዘርላንድ ብገፊሕ ውጽኢት 6 ብ 1 እያ ስዒራታ። እቲ ንወዲ 37 ዓመት ሮናልዶ ዝተክአ 21 ዓመት ዝዕድመኡ ኣጥቅዓይ በነፊካ ጎንካሎ ራሞስ ሰለስተ ሸቶታት ኣመዝጊቡ ሃትሪክ ሰሪሑ። ሞሮኮ ንፖርቱጋል እንተድኣ ስዒራ፡ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዝበጽሐት ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክትከውን ትኽእል እያ። ብተወሳኺ ኣብ ቐጠር ዝተረፈት እንኮ እስላማዊት ሃገር እያ። ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ዋሊድ ረግራጊ \"ኣፍሪቃን ህዝቢ ዓረብን ብድሕሬና እዮም\" ይብል። ሞሮኮን ፖርቱጋልን ክራኸባ እዚ ንሳልሳይ ግዜ ክኸውን ከሎ፡ እተን ዝሓለፋ ክልተ ጸወታታት ኣብ ዋንጫ ዓለም እዩ ነይሩ። ሞሮኮ ኣብ 1986 ኣብ ናይ ምድብ ጸወታ ንፈለማ ግዜ 3 ብ 1 ክትዕወት ከላ፡ ፖርቱጋል ኣብ 2018 ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 1 ብ 0 ተዓዊታ። ዝሓለፈ ግዜ ኣንጻር ስዊዘርላንድ፡ ፖርቱጋላዊ ጎንካሎ ራሞስ፡ ድሕሪ ሚሮስላቭ ክሎሰ ኣብ 2002 ንፈለማ እዋን ኣብ ዋንጫ ዓለም ሃትሪክ ዘመዝገበ ተጻዋታይ ኮይኑ። ሞሮኮ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2022 ኣብ ኣርባዕተ ጸወታታት ኣይተሰዓረትን፡ ሓንቲ ሸቶ ጥራይ ክትምዝገባ እንከላ ኣርባዕተ ሽቶታት ኣመዝጊባ። ፖርቱጋል፡ ብሸሞንተ ዝተፈላለዩ ተጻወትቲ 12 ሸቶታት ኣመዝጊባ ኣላ። ኣሰልጣኒ ፖርቱጋል ፈርናንዶ ሳንቶስ ኣብ ልዕሊ ስዊዘርላንድ ኣብ ዘመዝገቦ ዓወት ንክርስትያኖ ሮናልዶ ብጎንካሎ ራሞስ ምትክኡ ውጽኢቱ ተራእዩ እዩ። ፖርቱጋል ከም ማንቸስተር ዩናይትድ ብዘይ ሮናልዶ ዝሓሸት ትመስል ይብል ተንታኒ ኵዕሶ እግሪ ቢቢሲ ክሪስ ሱቶን። ዋላ’ኳ ርእሰይ ፖርቱጋል እንተበለኒ ዝብል ሱቶን፡ ልቡ ግን እታ ዘገርሙ ደገፍቲ ዘለውዋ ሞሮኮ 1 ብ 0 ተዓዊታ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ክትበጽሕ ትምኒቱ ከምዝኾነ ይገልጽ። ሞሮኮ፡ ኣብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ፡ ንስጳኛ ስዒራ ንፈላማ ግዜ ኣብ ታሪኻ ናብ ርብዒ ፍጻመ ግጥም ዋንጫ ዓለም ክትሓልፍ ክኢላ ኣላ። እቶም ብኣናብስ ኣትላስ ዝፍለጡ ተጻወትቲ፡ ኣብቲ ብዘይሸቶ ዝተዛዘመ ግጥም፡ ብፍጹም ቅላዕ፡ 3 ብ 0 እዮም ስዒሮም፡ ሎሚ ቀዳም ድማ ኣንጻር ፖርቱጋል ክገጥሙ እዮም። ኣብቲ ብፍጹም ቅላዕ ዝተዛዘመ ግጥም ሞሮኮን ስጳኛን፡ ሓላው ልዳት ሞሮኮ ክልተ ሸቶታት ብምድሓን ደሚቝ። ሞሮኮ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘካየደቶ ኣርባዕተ ጸወታታት ዋንጫ ዓለም 2022፡ ሓንቲ ሸቶ ጥራይ ክትምዝገባ እንከላ ክሳብ ሕጂ ኣይተሳዕረትን። ሞሮኮ ንስጳኛ ስዒራ ናብ ርብዒ ፍጻመ ብምስጋራ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ሃገራውያን ጋንታት ካሜሮን፡ ጋናን ሰኔጋል ዝበጽሓኦ ደረጃ ክትበጽሖ ክኢላ’ያ። ሕጂ ኣብ ኣፍሪቃ ሓድሽ ክብረ ወሰን ክምዝገብ እንተዀይኑ ንፖርቱጋል ስዒራ ናብ ርብጺ ፍጻመ ክትሓልፍ ኣለዋ። ብድሕሪኡ ዘሎ ኣብ ልዕሊ ክብሪ ክብሪ’ዩ ክኸውን፤ ዘይክኣል ግን ኣይኮነን። መን ይፈልጥ እታ ዋንጫ’ውን ንፈለማ እዋን ናብ ኣፍሪቃ ተምጽኣ ትኸውን። እዚ ካብ መግዛእቲ እታ ኣህጉር እዩ ዝጅምር። እቲ ዘሕዝን ክውንነት ኣብ ምሉእ እቲ ካብ 1930 ክሳብ 1962 ኣብ ዝተኻየደ 7 ወድድራት ዋንጫ ዓለም፡ ኣፍሪቃ ኣብ 1934 ጥራይ'ያ ተሳቲፋ። ሽዑ እታ እንኮ ንኣፍሪቃ ዝወከለት ሃገር ግብጺ እያ ነይራ። እዚ ብኸፊል ብሰንኪ ኣብታ ኣህጉር ዝነበረ ኣረሜናዊ መግዛእቲ ሃገራት ምዕራብ ኣውሮጳ፡ ብኸፊል ድማ ሓለፍቲ ፊፋ ነበር ንኣፍሪቃ ኣብቲ ውድድር ብቐጥታ ቦታ ምሃብ ብምእባዮም እዩ። እዚ ድማ ዋላ ነተን ነጻነት ዝረኸባ ሃገራት ዘጠቓልል እዩ። ኣብ 1966 ኣህጉር ኣፍሪቃ ንፊፋ ኣብቲ ውድድር ውሕስነት ዘለዎ ቦታ ክትረክብ ከም ዝጠለበት መልእኽታ ንምግላጽ ንገዛእ ርእሳ ኣብ እንግሊዝ ካብ ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ኣግሊላ፡ ድሕሪኡ ድማ ኣብ 1970 ከተረጋግጽ ክኢላ። ኣብ ዝቐጸሉ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ጋንታታት ሃገራት ኣፍሪቃ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ውጽኢታት ኣመዝጊበን እየን። ንኣብነት ኣልጀርያ ንምዕራብ ጀርመን ስዒራ፡ ሞሮኮ ንፖርቱጋል ገሊፋ፡ ካሜሩን ድማ ንኣርጀንቲና ዓብሊላ። እዚ እናሃለወ ግን ፊፋ ተሳትፎ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምውሳኽ ቅልጡፍ ምላሽ ክህብ ኣይከኣለን። ኣብ 1982 ክልተ ሃገራት ኣፍሪቃ ጥራይ ክሳተፋ ዕድል ረኺበን፤ ኣብ 1994 ሰለስተ፡ ድሕሪኡ ድማ ኣብ 1998 ሓሙሽተ ቦታታት ንሃገራት ኣፍሪቃ ተፈቒዱ። ክሳብ ሕጂ ከኣ ከምኡ ኢሉ ይቅጽል ኣሎ። ስለዚ ኣፍሪቃ ገና ዋንጫ ዓለም ዘይተዓወተትሉ ሓደ ምኽንያት፡ ዳርጋ ክትሳተፍ ስለዘይጸንሐት እዩ። ገሊኦም ኣብ ዝሓለፈ 12 ዓመታት ድኹም ውጽኢት ምምዝጋቡ ከመልክቱ ይኽእሉ እዮም፡ እንተኾነ ግን ተሳትፎ ምውሳኽ ናብ ዝያዳ ተወዳዳሪነትን ምምሕያሽን ኣየምርሕን'ዩ ዝብል መን እዩ? ኣብ ዋንጫ ዓለም ብምስታፍ ጥራይ ዝርከብ ናይ ገንዘብ ሽልማት ኣብ መላእ እታ ኣህጉር ኣብ መሰረታዊ ኩዕሶ እግሪ ምምሕያሽ ክውዕል ይኽእል ነይሩ፡ እዚ ድማ ንጽሬት ጸወታ ብዓቢኡ ከማዕብል ምኸኣለ። ፈላሚ ዋንጫ ዓለም ኣብ ኡራጋይ ካብ ዝእንገድ ጀሚሩ፡ ድሕሪ ዳርጋ ሓደ ዘመን ኣፍሪቃ ኣብ መወዳእታ ዝያዳ ፍትሓዊ ቁጽሪ ተሳትፎ ክትረክብ እያ፡ ኣብ 2026 ኣብ ዝካየድ ዋንጫ ዓለም 9.5 ቦታታት ክትረክብ እያ እዚ ድማ ቁሩብ ናብ ዓለማዊ ምዕሩይነት ክትቀርብ ዘኽእል እዩ። ዋንጫ ዓለም 2022 እውን ብመልክዕ መጻረዪ ተሳትፎ ጥራይ ዘይኮነስ ብመልክዕ መሰል ኣአንጋዲ ውክልና ዘይምህላው ዓቢ ጽልዋ ክህልዎ ከምዝኽእል ኣርእዩና እዩ። ደቡብ ኮርያ ኣብ 2002 ነዚ ውድድር ምስ ጃፓን ብሓባር ኣብ ዘአንገደትሉ እዋን ናብ ፍርቂ ፍጻመ ክትሓልፍ ከላ፡ ጸለምቲ ኮኾባት ጋና ኣብ 2010 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተኻየደ ፈላሚ ዋንጫ ዓለም ኣፍሪቃ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ንምሕላፍ ኣብ ምስ ኡራጋይ ኣብ ዝገጠመትሉ ብፍጹም ቅላዕ'ያ ተሳዒራ። ኣፍሪቃን ኤስያን ብሉጻት ውድድራት ኣብ ኣህጉራተን ኣብ ዘአንግዳሉ እንኮ ግዜ ከምዚ ዝበለ ውጽኢት ምምዝጋቡ ኣጋጣሚ ድዩ? መልሱ: ምናልባት ኣይኮነን ዝብል ምዃኑ ዋንጫ ዓለም 2022 ኣርእዩና ኣሎ። ኣብዚ ዓመት ክልተ ኤስያውያን ጋንታታት ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ በጺሐን፡ ዋንጫ ዓለም ቀጠር ድማ፡ ብሩሑቕ፡ ኣብ ሜዳ ንሃገራት ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ዕዉት ውድድር ኮይኑ ኣሎ። ካብ 15 ናይ ምድብ ጸወታታት 24 ድምር ነጥቢ ብምምዝጋብ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2002 ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ተመዝጊቡ ዝነበረ 15 ነጥቢ ብምብላጽ ክብረወሰን ሰቢሩ። ካሜሩን ኣብ ሓደ ውድድር ዋንጫ ዓለም ንብራዚል ዝሰዓረት ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና፡ ቱኒዝያ ኣብ ልዕሊ ሻምፕዮን ፈረንሳ ዓወት ኣመዝጊባ፡ ሞሮኮ ድማ 7 ነጥቢ ብስማ ኣመዝጊባ ካብ ምድባ ቀዳመይቲ ኮይና ዝሓለፈት ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና። ኣሽሓት ደገፍቲ ስዑዲ፡ ሞሮኮን ቱኒዝያን ንጋንታታቶም ንታሪኻዊ ዓወታት ክድርኹ ምርኣይ፡ ሓዱሽ ህዋህው ዝፈጠረ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ እዚ \"ትጽቢት ዘይተገብረሎም ውጽኢታት ዝተረኣይሉ ዋንጫ ዓለም\" እቲ ዝበለጸ ጥዑም ዝኸውን ድማ፡ ሞሮኮ ኣብቲ ውድድር ክትዕወት እንተኽኢላ እዩ\"። ክሳብ ክንደይ ጽኑዕ ምክልኻል ከም ዝገብሩን ሓላዊ ልዳቶም ያሲነ ቦኖ ክሳብ ክንደይ ንፉዕ ምዃኑን ኣብ ግምት ምስ እነእቱ፡ ኣብ ጸወታ ወትሩ ዕድል ክህልዋ እዩ። ሞሮኮ ሻምፕዮን ዓለም ክትከውን 270 ደቓይቕ ከምዝተረፋ ትኣምን። ምናልባት ንሕና እውን ክንኣምኖም ግዜኡ በጺሑ ይኸውን።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cxejd78y7r9o"} {"headline":"ሞሮኮ፡ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ዝሓለፈት ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኰይና","content":"ሞሮኮ ኣብቲ ኣብ ቐጠር ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም 2022፡ ንፖርቱጋል ረቲዓ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዝሓለፈት ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኰይና። ሰሜን ኣፍሪቃዊት ሃገር ሞሮኮ፡ ትማሊ ምሸት ምስ ፖርቱጋል ኣብ ዝነበራ ግጥም 1 ብ 0 ስዒራ እያ ናብ ዝቕጽል ውድድር ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፋ። ሞሮኮ ኣብቲ ጸወታ ልዑል ግምት ተዋሂብዋ ንዝነበረ ፖርቱጋልን ኮኸብ ተጻዋታይ ክርስቲያኖ ሮናልዶን ብምስዓር’ያ ናብቲ ቀጻሊ ዙርያ ሓሊፋ ዘላ። ኣጥቃዓይ ሞሮኮ ዮሱፍ ኣልነስሪ ቅድሚ ዕረፍቲ ብዘቝጸራ ሸቶ ነቲ ኣብ ስታድየም ኣል ቱማማ ብቐጥታ ነቲ ግጥም ዝዕዘብ ዝነበረ ህዝቢን፡ ንኣፍሪቃውያንን ዓረባውያንን ኣፈሲሁ። ነቲ ስታድየም መሊኦምዎ ዝነበሩ ደገፍቲ ሰሜን ኣፍሪቃዊት ንሞሮኮ፡ ኣብ መድረኽ ዓለም ክብ ዘበለ ጸወታ ብልዑል ታሕጓስ ይጽንብልዎ ኣለዉ። ኣብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ዓለም፡ 196 ግዜ ተጻዊቱ ክብረ ወሰን ዝሓዘ ክርስትያኖ ሮናልዶ፡ ኣብ መበል 50 ደቒቅ ተቐይሩ’ኳ እንተኣተወ ሸቶ ከቝጽር ኣይከኣለን፤ ሃገሩ ፖርቱጋል’ውን ናብ ፍርቂ ፍጻመ ከሕልፋ ኣይከኣለን። ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ምስ ፈረንሳ እትገጥም ሞሮኮ፡ ቅድሚ ዕረፍቲ፡ ኣልነስሪ ነታ ያሕያ ኣቲያት ዘሕለፈሉ ኩዕሶ ብርእሱ ወቒዑ ሸቶ ኣቝጺሩዋ። ኣጥቃዓይ ፖርቱጋል ብሩኖ ፈርናደዝ ድሕሪ ዝተወሰነ ደቃይቕ እትገርም ሸቶ ንምቝጻር ፈቲኑ’ኳ እንተነበረ፡ ዝቐልዓ ኩዕሶ ግን ምስ ልዳት ተላቲማ ሃገሩ ማዕረ እትኾነሉ ዕድል ባኺኑ። ሞሮኮ ድሕሪ ዕረፍቲ ተጻወትቲ ተጐዲኦምዋ፣ ኣጥቃዓይ ወሊድ ኸዲራ ብኽልተ ቢጫ ካብቲ ጸወታ’ኳ እንተተሰናበተ፡ ፖርቱጋል ግን ሸቶ ክተቝጽር ኣይከኣለትን። ቅድሚ ሕጂ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ውድድራት ዋንጫ ዓለም ናብ ርብዒ ፍጻመ ሓሊፈን'ኳ እንተነበራ፡ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዝሓለፈት ሃገር ግን ክሳብ ሕጂ ኣይነበረትን። ተጻዋታይ ኣልነስሪን እታ ብርእሱ ዘቝጸራ ሸቶን ኣብ መዝገብ ታሪኽ ዘስፈሩ ኰይኖም፡ ንዅሎም ደገፍቲ ጋንታኡ ኣፍሪቃውያንን ካልኦትን ብታሕጓስ መሊኡዎም ኣሎ።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd19pe9wdpmo"} {"headline":"ቅልውላው መንነት ሞሮኮ፡ ዓረባዊት'ዶ ኣፍሪቃዊት ወይ ኣማዚግ?","content":"ኣፍሪቃዊ ጋዜጠኛ ማግዲ ዓብደልሃዲ፡ ኩዕሶ እግሪ ብዛዕባ መንነት ሞሮኮ ከመይ ገይሩ ቅርሕንቲ ከም ዘጓሃሃረ ይገልጽ። ____________ ሎሚ ዓመት ኣብ ቐጠር ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ካብ ካልኦት ውድድራት ብዝያዳ ኣካታዒ ኵነታት ዝተረኣየሉ እዩ ምባል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኰነን። እቲ ብዙሕ ኣቓልቦ ዝሰሓበ ኣካታዒ ጐዳይ ግን ኣብ ዙርያ መንነት ሞሮካዊት ጋንታ 'ኣናብስ ኣትላስ' ዝተላዕለ እዩ ነይሩ። እቲ ክትዕ ብቐሊል ሕቶ እዩ ተጀሚሩ። እታ ንሓያላት ጋንታታት ፖርቱጋልን ስጳኛን ብምስዓር ብቕዓታ ንዓለም ዘረጋገጸት ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዝበጽሐት \"ቀዳመይቲ ዓረባዊት\" ወይስ \"ኣፍሪቃዊት\" ጋንታ እያ? ብባህሊ ብዙሓት ሞሮካውያን ካብ ኣፍሪቃውያን ንላዕሊ ንነብሶም ከም ዓረብ ይርእዩ። ኣብ ሞሮኮ ዝርከቡ ገለ ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃውያን ድማ ዓሌታዊ ኣተሓሳስባ ካብ ሞሮኮ ፈጺሙ ርሒቝ ከም ዘይፈልጥ የማርሩ። ሞሮካዊ ናይ ክንፊ ኣጥቃዓይ ሱፍያን ቡፋል ኣብ ልዕሊ ስጳኛ ድሕሪ ምዕዋቶም ዝሃቦ ርእይቶ ግን ነቲ ብዛዕባ ኣህጉራዊ መንነት እታ ሃገር ዝምልከት ክትዕ ትዅረት ክረክብ ገይሩ። ንሱ \"ንዅሎም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሞሮካውያን ንዝገበርዎ ደገፍ፡ ንዅሉ ህዝቢ ዓረብን ንዅሉ ህዝቢ ኣስላምን። እዚ ዓወት ናትኩም'ዩ\" ኢሉ። ኣህጉር ኣፍሪቃ ነታ ጋንታ ዘለዋ ደገፍ ስለዘይጠቐሰ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዙሕ ግብረመልሲ ተራእዩ። ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሓመድ ቡሃሪ ሞሮኮ ኣብ ሓደ መድረኽ፡ \"ብጽንዓትን ብልሓቶምን ንመላእ እታ ኣህጉር ከም ዘሐበኑ\" ገሊጹ ነይሩ። ሱፍያን ቡፋል፡ ንኣፍሪቃ ብዘይ ምጥቃሱ ኣብ ኢንስታግራም ይቕረታ ሓቲቱ። ቡፋል፡ \"ብርግጽ ነቲ ዓወት ንዓኻትኩም’ውን ይውፍየልኩም። ንዅሎም ኣብታ ኣህጉር ዘለዉ ኣሕዋትና ብምውካልና ሕቡናት ኢና። ብሓባር\" ክብል ጽሒፉ። እዚ ዕግርግር፡ ኣብ ቀረባ እዋን እቲ ንጉስ ሞሮኮ ምስ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝያዳ ጥቡቕ ርክብ ንምትብባዕ ዝገበሮ ጻዕሪ ዘንጸባርቕ እዩ። ንጉስ መሓመድ ሻድሻይ ኣብ 2017 ሞሮኮ ብሰንኪ እቲ ዘካትዕ ጉዳይ ምዕራብ ሰሃራ፡ ን30 ዓመታት ብተኸታታሊ ተገሊላ ድሕሪ ምጽናሕ ዳግማይ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝኣተወትሉ እዋን፡ \"ኣፍሪቃ ዓደይ እያ፡ ናብ ዓደይ ድማ ይምለስ ኣለኹ\" ኢሉ። እዚ ምቅርራብ እዚ ብፍላይ ምስ ምዕራብ ኣፍሪቃ ንግዳዊ ምትእስሳር ክዕንብብ ኣኽኢሉ እዩ። ሞሮኮ ግን ኣባል ሊግ ዓረብ እውን እያ፤ ስለዚ ብወግዒ ኣብ ክልቲኡ ባህላዊ ዓውድታት ትጠቓለል። ንሞሮኮ \"ኣፍሪቃዊት\" ኢልካ ምግላጽ ብመንጽር ጂኦግራፊ ሓቂ ክኸውን ከሎ፡ \"ዓረባዊት\" ዝብል ኣገላልጻ ድማ ንብዙሓት ኣፍሪቃውያን ከም ዘይኰኑ ዝስምዖም ሞሮካውያን ካብታ ኣህጉር ኣርሒቝዎም እዩ። ሞሮኮ ብርክት ዝበለ ህዝቢ በርበር ወይ ከምቲ ዝመርጽዎ መጸውዒ ኣማዚግ ዝነብሩላ ሃገር እያ። ገለ ጸብጸባት ዳርጋ 40 ሚእታዊት ካብ ልዕሊ 34 ሚልዮን ህዝቢ እታ ሃገር ዘርኢ በርበር ከም ዝዀኑ ይሕብሩ። እቲ ታማዚት ዝበሃል ዓቢ ቋንቋ ኣማዚግ ጐድኒ ጐኒ ዓረብኛ ከም ወግዓዊ ቋንቋ ተፈላጥነት ረኺቡ እዩ። እዚ ግን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ኣካታዒ ጉዳይ እዩ። ቐጠር ዋንጫ ዓለም 2022 ናይ ምእንጋድ መሰል ምስ ተዋህባ ብኡንብኡ፡ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ነቲ ውድድር \"ዓወት ንእስልምናን ዓረባውነትን\" ዝብል ቅርጺ ሂበናኦ። እቲ ውድድር ምስ ተጀመረ፡ ስነ-ቓላት ዓረባውነትን እስላማውነትን ዳግማይ ትዅረት ክረክብ ጀሚሩ። ኣብቲ ብሰንኪ እገዳ ኣልኮላዊ መስተ ወይ መግለጺ 'ኤልጂቢቲኪዩ' ኣብ ዝተለዓለ ክትዕ፡ ተጣበቕቲ እስላማውነትን ዓረብነትን ኣንጻር \"ሃጸያዊ ምዕራባውያን\" ንቐጠር፡ እስልምናን ባህላዊ ክብርታትን ክከላኸሉ ጀሚሮም። \"እስላማዊ ወይ ዓወት ዓረብ\" ዝብል ኣገላልጻ ብማዕከናት ዜና ቐጠር ኣብ ቋንቋ ሓተታ ጸወታታት ክውዕል ምስ ጀመረ ግን፡ ቍጥዐ ዝመልኦ ግብረመልሲ ኣለዓዒሉ። ስለዚ፡ ኣናብስ ኣትላስ ካብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ንፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ክትሓልፍ ዝኸኣለት ፈላመይቲ ጋንታ ደቂ ተባዕትዮ ብምዃን ታሪኽ ምስ ሰርሐት፡ ከም ዓወት ሃገራት ኣስላምን ዓረብን ናእዳ ረኺባ። ካልኦት ጋንታታት ናይቲ ዞባ ዝዀና ቱኒዝያ፡ ስዑዲ ዓረብን ቐጠርን፡ ኣብ መጀመርታ ዙር ካብቲ ውድድር ምስ ተገለፋ፡ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝርከቡ ኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግሪ ንሞሮኮ ክድግፉ ምጅማሮም ባህርያዊ እዩ። ገለ ጕጅለታት ግን ንዓወት ሞሮኮ ኣዝዩ ዝዓበየ፡ ዝያዳ ስነ-ሓሳባውን ፖለቲካውን ነገር ገይሮም ክስእልዎ ፈቲኖም። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ እታ ሞሮካዊት ጋንታ፡ ተሰካሚት ባንዴራ እስልምናን ዓረባውነትን ክትከውን ተገይራ። እዚ ክትዕ’ዚ ገለ ካብ ተጻወትቲ ጋንታ ሞሮኮ ኣብ ሜዳ ባንዴራ ፍልስጤም ሒዞም ዓወታቶም ምስ ኣኽበሩ’ዩ ዝያዳ ተጠናኺሩ። እዚ ዓይነት ኵነታት ግን ንብዙሓት ሰሜን ኣፍሪቃውያን ብፍላይ ነቶም ነቲ ስነ-ሓሳባትን ኣረኣእያን ዘይድግፉ ሞሮካውያን ኣቘጢዕዎም እዩ። ሓደ ተቓዋሚ ሞሮካዊ ዩቲዩበር ኣብ ንሓደ ሰዓት ዝቐጸለ ጸርፊ፡ ኣብቶም ነቲ ጸወታ ፖለቲካዊ ገይሮም ናብ ዓለማዊ ኲናት ባህሊ ክቕይርዎ ዝደልዩ ዝነበሩ ሰባት ቑጥዐኡ ገሊጹ። ብራዘር ራቺድ ነቶም 385 ሽሕ ሰዓብቱ፡ ኣሰልጣኒኦም ሓዊሱ ፍርቂ ኣባላት ጋንታ ሞሮካ ብሓቂ ኣብ ኣውሮጳ ተወሊዶም ዝዓበዩ፡ ኣብኡ ነቲ ጸወታ ተማሂሮም ኣብ ኣውሮጳ ፕሮፌሽናል ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ዝዀኑ ደቂ ሞሮካውያን ስደተኛታት ከም ዝኾኑ ኣዘኻኺሩ። \"ናይታ ጋንታ መርመራ ዲኤንኤ እንተዝገብር፡ መብዛሕትኦም ኣማዚግ (በርበር) ምዃኖም ምረኸብካ። መብዛሕትኦም ዓረብኛ ኣይዛረቡን እዮም። ዝዛረቡ እንተዀይኖም ድማ 'ዝተሰብረ ዓረብኛ' እዩ ክኸውን፡ ምኽንያቱ ኣብ [ሃገራት] ምዕራብ ዝዓበዩ እዮም\" ኢሉ። ኣብ ሞሮኮ ተራ እስልምናን ነጻነት ምዝራብን ተኣፋፊ ኰይኑ፡ እቲ ንጉሳዊ ስርወመንግስቲ ንነብሱ ከም ዘርኢ ነቢይ መሓመድ ይቘጽር። እቲ ንጉስ፡ ንቐዳሞት ገዛእቲ ኣስላም ታሪኻዊ ቃል ዝዀነ ‘ኣዛዚ ምእመናን’ ዝብል መዓርግ ኣለዎ። ምስዚ ዅሉ ግን እቲ ዩቲዩበር ነቶም ጉዳያት ንምምካት ኣይፈርሐን። \"ሞሮኮ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተፈልየት እያ፣ ብመሰረቱ ሕብረተሰብ በርበር ስለ ዝዀነት፡ ኣዕራብ ኣብ 7ይ ክፍለ ዘመን ከም ግዳማውያን እዮም መጺኦም። ሎሚ ኣብ ሞሮኮ ዓረብ፡ በርበር፡ ኣስላም፡ ኣይሁድ፡ ኣምላኽ ዘይብሎም፡ ዘይሃይማኖታውያንን ባሃኣውያንን ኣለዉ፣ ሺዓን ሱኒን ኣለዉ።\" ነዚ ሞሮካዊ ዓወት \"ዓወት ዓረባውነትን እስልምናን” ኢልካ ምግላጽ “ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሕብረተሰብ ሞሮኮ መጥቃዕቲ እዩ\" ክብል ኣስዒቡ። ነቶም ንዓወት ሞሮኮ ንባዕሎም ክጨውይዎ ዝደልዩ ዓረባውያን ወይ እስላማውያን ምላሽ ንምሃብ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝወጽእ ጽሑፋት፡ መብዛሕትኦም እታ ጋንታ ናይ ሞሮኮ ምዃና ገሊጾም። ገሊኦም ድማ ብናይ ኣማዚግ ምልክት ዝተሰነየ ስእልታት ናይታ ጋንታ ለጢፎም። ካልኦት ነቐፍቲ ድማ፡ ንጸወታ ኩዕሶ እግሪ ናብ ሃይማኖታዊ ወይ ብሄራዊ ኲናት ምቕያር ዕሽነት ምዃኑ ብምጕላሕ፡ ዓወት ፈረንሳ፡ ብራዚል ወይ ኣርጀንቲና ከም ዓወት ክርስትና ክቝጸር ከም ዝኽእል ዘይሕሰብ እዩ ብምባል ይምጕቱ። ንኣብነት ገለ ካብተን ኣብ ኣውሮጳ ዝርከባ ሃገራዊ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ብሄራውን ሃይማኖታውን ምትሕውዋስ ኣብ ግምት ብምእታው ከምኡ ዘይከኣል ምዃኑ ኣመልኪቶም። እቲ ብዛዕባ ሓቀኛ መንነት ናይታ ሞሮካዊት ጋንታ ዝካየድ ዘሎ ክትዕ፡ መግለጺ ናይቲ ኣብ መላእ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ \"ኲናት ባህሊ\" እዩ። ኣብቲ ዞባ፡ ሃገራዊ መንነት ንዓሰርተታት ዓመታት ማእከል እቶም ንፖለቲካዊ ዲስኩር ዝቐረጹ ክልተ ስነ-ሓሳባት - እስላማውነትን ዓራባውነትን - ኰይኑ ጸኒሑ እዩ። ንሃገራዊ ሓርነት ቃልሲ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፡ ንማሕበራዊ ምትእስሳር ኣብ ልዕሊ ውልቃዊ ነጻነት ቀዳምነት ምሃብ ትርጕም እኳ እንተነበሮ፡ ኣብዚ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዓለምለኻዊነት ግን ካብ ጥቕሞም ንላዕሊ ዝጸንሑን ኣገደስቲ ዘይኰኑን ይመስሉ።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c25x0j4grz2o"} {"headline":"ፊፋ ‘ሳልት ቤይ’ ናብ ሜዳ ኣትዩ ንዋንጫ ዓለም ዝሓዘሉ ኣጋጣሚ ይምርምር ኣሎ","content":"ፊፋ፡ ኣብ ፍፃመ ፀዋታ ናይቲ ኣብ ቀጠር ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም፡ እቲ ‘ሳልት ቤይ’ ብዝብል ዝፍለጥ ስሙይ ከሻኒ (ሼፍ)ን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ሰባትን ብኸመይ ናብ ሜዳ \"ዘይግቡእ መእተዊ\" ከምዝረኸቡ ከፃርይ ምጅማሩ ኣፍሊጡ። ሳልት ቤይ ብዝብል ዝፍለጥ ቱርካዊ ሼፍ ኑስረት ጎክቸ፡ ተጻወትቲ ኣርጀንቲና ድሕሪ'ቲ ኣብ ልዕሊ ፈረንሳ ዘመዝገብዎ ዓወት ኣብ ዝጽንብልሉ እዋን፡ ንዋንጫ ዓለም ሒዙን ክስዕምን ተሳኢሉ’ሎ። ሕጊ ፊፋ ከም ዝሕብሮ፡ እታ ዋንጫ ብተዓወትቲ ውድድር፣ ሰበስልጣን ፊፋን መራሕቲ ሃገራትን ሓዊሱ ብ \"ኣዝዮም ምሩጻት\" ጉጅለ ሰባት ጥራይ እያ ክትተሓዝ ትኽእል። ወሃቢ ቃል ፊፋ ንቢቢሲ ስፖርት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “ፊፋ ብድሕሪ’ቲ ብ18 ታሕሳስ ኣብ ስታድየም ሉሳይል ዝተኻየደ መዕጸዊ ስነ-ስርዓት፡ ውልቀሰባት ብኸመይ ናብ ሜዳ ዘይግቡእ መእተዊ ረኺቦም ዝብል መረዳእታታት ክውድብ ፀኒሑ’ሎ\" ኢሉ። \"እቲ ዝግባእ ውሽጣዊ ስጉምቲ ክውሰድ እዩ\" ክብል እውን ወሲኹ ሓቢሩ። ሳልት ቤይ ብርክት ዝበሉ ጨንፈር እንዳ ጥብሲ ስጋ ብዕራይ፡ ስጋ ናይ ምድላውን ምቕማምን ሜላኡ ኣብ ኢንተርነት ፍሉጥ እናኾነ ምሰከደ ድማ ኣብ 2017 ናብ ዝና ደይቡ። በዓል ሜሲ፣ ክርስትያኖ ሮናልዶን ዴቪድ ቤክሃምን ዝርከብዎም ብዙሓት ናይ ሎምን ናይ ቀደምን ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ኣብያተ መግቢ ሳልት ቤይ ተመጊቦም እዮም። እዚ ስሙይ ከሻኒ ዋንጫ ዓለም ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፡ ንፕረዚደንት ፊፋ ጂያኒ ኢንፋንቲኖ ሓቚፉ ዘርኢ ቪድዮ ጠቂዑ ምንባሩ ይዝከር። ድሒሩ ድማ ምስ ህቡባት ገዳይም ብራዚላውያን ተፃወትቲ ኩዕሶ እግሪ ሮናልዶ፣ ሮበርቶ ካርሎስን ካፉን ኣብ ናይ ‘ቪኣይፒ’ (ኣዝዮም ምሩፃት ዕዱማት) መንበር ኮይኑ ተሳኢሉ። ድሕሪ ዓወት ኣርጀንቲና ኣብ ዝነበረ ጽዑቕ ትርኢታት፡ እቲ ሼፍ ኣቓልቦ ሜሲ ክረክብ እንተፈተነ’ኳ እቲ ኮኾብ ተፃዋታይ ግን ሸለል ክብሎ'ዩ ተራእዩ።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c51p393kzdeo"} {"headline":"ዋንጫ ዓለም ቐጠር ብኣካል ዝርኢ ዘሎ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ትዕዝብቱ ብኸመይ ይገልጾ?","content":"ግሩም ሰይፉ፡ ኣብ ጋዜጣ ኣዲስ ኣድማስ ስፖርትን ማሕበራዊ ጉዳያትን ብምጽሓፍ ዝፍለጥ ጋዜጠኛ እዩ። ቅድሚ ሒደት መዓልታት መኽፈቲ፡ ኣብቲ ድንቂ ዝዀነ ዋንጫ ዓለም ቐጠር ንምስታፍ ናብ ደውሓ ኣምሪሑ። ደውሓ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣስታት 2200 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ኰይና፡ መንገዲ ኣየራት ኢትዮጵያን ቐጠርን መዓልታዊ ተጓዓዝቲ የመላልሱ። ጋዜጠኛ ግሩም፡ ካብቲ ንፋስ ዝበዝሖ ኣዲስ ኣበባ ናብ ደውሓ ምስ ከደ፡ ሙቐት እዩ ተቐቢልዎ። እዚ ወቕቲ ግን ንቐጠራውያን ዝሑል ወርሒ እዩ። \"ኣብ ደውሓ ጸሓይ ቀትሪ ዝበሃል የለን፤ ጸሓይ ምሉእ መዓልቲ፡ ንሑጻ ናይቲ ዓዲ እያ ክተጥቅዕ ትውዕል፡\" ይብል። ቐጠር፡ ብመሰረት ጸብጻብ ሜትሮሎጂ፡ \"መብዛሕትኡ ግዜ ሙቐት እዩ።\" መብዛሕትኡ ካብ ወጋሕታ ክሳብ ኣጋምሸት ክትብሎ ይቐልል። ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝተሓተ ሙቐት 23 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ከባቢ ሰዓት 16፡00 [ድሕሪ ቀትሪ] እዩ። መርበብ ሓበሬታ ዎርልድ ፖብሊሺን ሪቪው፡ ብዝሒ ህዝቢ ቐጠር ኣብዚ ዓመት 2.7 ሚልዮን ከምዝዀነ ይግምት። ካብዚኦም እቶም ቐጠር ዝበሃሉ ዓረብ 15 ሚእታዊት እዮም። ህንዳውያን፡ ፊሊፒናውያንን ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ኤስያን ኣብታ ሃገር ይነብሩ። ካብዚ ወጻኢ ኣብ ርእሰ ከተማ ደውሓ ከምኡ’ውን ኣብ ኣ'ራያን ብዙሓት ኢትዮጵያውያን፡ ኤርትራውያንን ኬንያውያንን ኣለዉ። ብተፈጥሮ ነዳዲ ሃብታም ዝዀነት ቐጠር፡ ኣብ ዓረባዊ ዓለም ንፈለማ እዋን እያ ዋንጫ ዓለም ተአንግድ ዘላ። ግሩም፡ ንጕጅለ ካሜሩን ኣንጻር ሰርብያ ሰዓት 7፡00 ድሕሪ ቀትሪ ንምሽፋን ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን ብተሌፎን ረኺብናዮ። መዝሐሊ ቴክኖሎጂ እንተዘይህሉ፡ ቐጠር ክትነብራ ዘይትከኣል ምዀነት ዝብል እምነት ኣለዎ። \"ሕጂ ንኣብነት ብኣቈጻጽራ ሃገርና ሰዓት 5 እዩ። ኣብ ሃገርና ኣብ ወርሒ ግንቦት ዘማርር ዋዒ እዩ”። ነቶም ነበርቲ ቐጠር ብዛዕባ ኵነታት ኣየር ክሓቶም እንከሎ፡ \"ኣብ ዝሑል መጺእካ\" ኢሎም ይጥምትዎ እሞ፡ \"እዚ ብሓቂ ቁሪ እዩ\" ይብልዎ። ቐጠር፡ ስለዚ ድማ እያ ነዚ ዓመተ ስፖርት ኣክንዲ እቲ ኣብ ሰነ ዝካየድ ዝነበረ ስሩዕ ዋንጫ ዓለም፡ ኣብዚ ወቕቲ ክካየድ ዝመረጸት። ካብ ወሽመጥ ፋርስ ዝመጸ ንፋስ ንለይቲ ቐጠር የዝሕሎ እዩ። እታ ሃገር፡ ነዚ ዋንጫ ዓለም ክትውድብ፡ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ብዙሕ ተቓውሞ ገጢምዋ እዩ፤ ሰብኣዊ መሰላት ኣይትኽብርን እያ፣ ስታድዩማት ክስራሕ ከሎ ብዙሓት ሸቃሎ ሞይቶም፣ ኵነታት ኣየር ምቹእ ኣይኮነን። . . በቃ ብዙሕ ነቐፌታ ረኺባ። ጋዜጠኛ ጉሩም ግን እዚ ነቐፌታ ምኽኑይ ከምዘይኰነ እዩ ዝኣምን። “ዜጋታት ቐጠር ኣዝዮም ሰላማውያን እዮም። ኣቀባብላኦም ይርእዮ ነይረ። ዓረባዊ ዓለም ንኹዕሶ እግሪ ዘለዎ ፍቕሪ ንምርኣይ ፍሉይ ዕድል እዩ። በዚ መሰረት፡ ኣብ መጻኢ፡ ደውሓ’ውን ልክዕ ከም ዱባይ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለም ንዝመጹ ኣጋይሽ ማእከል ክትከውን እያ ዝብል እምነት ኣለዎ። ግሩም፡ ኣብቲ ኣብ ደውሓ ዝበጽሖ ቦታታት፡ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን መነባብሮኦም ንምምራሕ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ርእዩ። “ምስ ኢትዮጵያውያን ወለንተኛታት ኣብ ስታድዩማት ተራኺበ ኣለኹ። ምስ ሓደ ኢትዮጵያዊ ስነ-ጥበባዊ እውን ተራኺበ። ኣብ እዋን ዋንጫ ዓለም ምስ ዓበይቲ ኩባንያታት ፈነወ ዝሰርሕ ኢትዮጵያዊ'ውን ክራኸብ ክኢለ እየ።\" እቲ ጋዜጠኛ ብመሰረት እቲ ረኺበዮ ዝበሎ ሓበሬታ፡ ኣብ ቐጠር ልዕሊ 20 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ይነብሩ። ኣብቲ ብዛዕባ እታ ሃገር ዝተፈላለየ ሓበሬታ ዝዝርግሕ 'ኦንላይን ቐጠር' ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ብውሕዱ 25 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ኣለዉ። “ሰራሕተኛታት ገዛ ኰይነን ዝሰርሓ ኣለዋ፣ ዝመሃሩ እውን ኣለዉ። ሰብ ሞያ ህንጻ፡ መራሕቲ ታክሲ ኣለዉ። ሓያለ ኣብያተ መግቢ ኢትዮጵያ ዝርከባሉ ሓደ ከባቢ'ውን ኣሎ። ኣዲስ ኣበባ ዝተባህለ እንዳ ቐምቃማይ ርእየ ኣለኹ። ኣብ ሓንቲ ካብተን ዝበጻሕክወን ኣብያተ መግቢ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ተኣኪቦም ርእየ።\" ግሩም፡ \"ኢትዮጵያውያን ብቐጠራውያን ዝተኸብሩ እዮም፤ ሰራሕተኛታት ይበሃሉ\" ይብል። ጋዜጠኛ ግሩም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዋንጫ ዓለም ንምስታፍ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃን ሩስያን ተጓዒዙ ነይሩ። “ናይ ደውሓ ግን ብብዙሕ መዳይ ዝተፈለየ እዩ” ይብል። ሓደ ምኽንያት ድማ እቶም ስታድዩማት ነንሕድሕዶም፡ ቅርበት ስለዘለዎም ንሱን መሓዙቱን ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝተፈላለየ ጸወታታት ክዕዘቡ ይኽእሉ። ንኣብነት ኣብ ሩስያ ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም፡ ካብ ርእሰ ከተማ ሞስኮ ናብ ሶቺ ብባቡር 72 ሰዓታት ተጓዒዙ። ዘይከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝረኣዮ ዋንጫ ዓለም፡ ኣብ ምድብ ጸወታታት ዝግበር ንሕንሕ፡ ብዝሒ ተዓዘብቲ፡ ፍሉይ 'ዲዛይን' ስታድዩማት፡ ነዛ ዋንጫ ዓለም \"ፍሉይ\" ከም ዝገበራ ገሊጹ። መስከረም ዘውዴ ኣብ ቐጠር ካብ እትነብር ልዕሊ 15 ዓመታት ኣቝጺራ ኣላ። ኣብ ርእሰ ከተማ ደውሓን ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር ተጓዒዛን ሰሪሓን። ሕጂ ኣብታ ከተማ ‘ኣቢሲንያ-ቢሾፍቱ ሬስቶራንት’ ዝበሃል ናይ ስድራቤት፡ ቤት ብልዒ ኣለዋ። ኣብዚ ቀረባ እዋን እቲ ኣብ መስከረም ዝርከብ ቤት መግቢ ካብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ብዝመጹ ዓማዊል ከምዝተመልአን፡ እዚ ድማ፡ \"ዘመነ ዋንጫ ዓለም\" ምዃኑ ዘመልክት ምዃኑን ትዛረብ። ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣጋይሽ፡ ኤርትራውያን፡ ሱዳናውያንን ካልኦት ዜጋታት ብዙሓት ሃገራትን ናብ ቤት መግቢ ከምዝመጽኡ ጠቒሳ። ኢትዮጵያውያን ተጠቀምቲ ካብ ካልኦት ሃገራት መሓዙቶም ኣምጺኦም መኣዲ ሃገሮም ከስተማቕሩ ክትዕዘብ ከላ ግን ሕጕስቲ እያ። መስከረም ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ዘመሓደረቶ ቤት መግቢ ኣቢሲንያ-ቢሾፍቱ፡ ኣብ ደውሓ ኣ'ራያን ኣብ ዝበሃል ከባቢ ይርከብ። ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዝነብሩሉ ከባቢ እዩ። መስከረም፡ ዋንጫ ዓለም ምስ መጸ፡ ልዕሊ ዓቐን ጽቕጥቕጥ ከይህሉ ፈሪሓ ነይራ። እዚ ሓደ ግዜ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ዝካየድ ውድድር ግን ሓጐስ እዩ ፈጢሩላ። “ሰብ ኣዝዩ ሕጕስ እዩ፡ ብናጽነት ይንቀሳቐስ። ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝረኣናዮ ዝተፈልየ ነገር ኢና ንርኢ ዘለና። ኵሉ ሰብ ኣኽቢሩ እዩ ዝሕዞ። እቲ ስምዒት ዝተፈለየ እዩ።\" ቤት መግቢ ኣቢሲንያ-ቢሾፍቱ ናይ 32 ሃገራት ባንዴራታት ኣለዎ። ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝሳተፋ 32 ሃገራት ትውክል። ካብቲ ቤት መግቢ ርሒቑ ዘሎ ሃዋህው ፍሉይ ምዃኑ እትገልጽ መስከረም፡ ኩዕሶ እግሪ ብኸምዚ ንሰባት ከተራኽብ ክትዕዘብ ከላ ትግረም። \"ኩዕሶ እግሪ ማለት እዚ'ዩ። ኩዕሶ እግሪ ንሰባት ዓለም ሓደ ዝገብር እዩ። ኣነ ብውልቀይ ዝተርድኣኒ እዚ እዩ። ብጣዕሚ ደስ ዝብል እዩ። ብሓቂ!\" መስከረም፡ እቲ ቤት መግቢ ኣብዚ እዋን፡ ብዓማዊል መሊኡ ስለዝነበረ፡ ኣብ ዙርያ ስታድዩማት ንተጠቀምቲ ዝኸውን ናይ ኢትዮጵያ መኣዲ ኣየቕረበትን። ብሰንኪ እቲ ልሙድ ዋዒ ንርእሳ ዘጨንቓ ቐጠር፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ከምዝዘሓለት ብምግላጽ ከም ዝተገረመት ትዛረብ፤ ነቲ ሙቐት ሰብ ዝጻወሮ ከምዘይነበረ ትዛረብ። ኣብታ ሃገር ወሽመጥ ዓረብ ንሓያሎ ዓመታት ዝነበረት መስከረም፡ ዓቃባዊት ዓረብ ሃገር ዝዀነት ቐጠር እቶም ኩዕሶ ክዕዘቡ ዝመጹ ሰባት ኣይዘናግዑን ይዀኑ ዝብል ስክፍታ ሓዲርዋ ነይሩ። ቐጠር ኣብ ስታድዩማት መሸጣ ኣልኮላዊ መስተ ኣጊዳ እያ። ይዅን እምበር፡ ሜክሲካውያንን ብራዚላውያንን ኣብ ለይታዊ ትልሂታት ክስዕስዑ ምርኣይ፡ ሕጕሳት እዮም ትብል መስከረም። ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ሰባት ዝተፈላለየ ባህርያት ሒዞም እዮም ዝመጹ። መብዛሕትኦም በጻሕቲ ግን ሕጕሳት፡ ብናጽነት ዝንቀሳቐሱ፡ ዝጻወቱ፡ ዝስዕስዑ ምዃኖም ተዓዚባ። “ቅድሚ ሕጂ ርእየዮ ዘይፈልጥ ነገር እዩ። ብሓቂ ፍልይ ዝበለ ስምዒት ከም ዝስምዓኒ ገይሩኒ።” ኢትዮጵያዊ ዓብደልሓኪም ዓብዱራሕማን፡ ኣብ ደውሓ ሓሙሽተ ዓመታት ተቐሚጡ። ዓብደልሓኪም፡ ሓደ ካብቶም ወለንተኛታት ዋንጫ ዓለም እዩ። እቲ መንእሰይ ኣብ ሓደ ካብ ዓበይቲ ስታድዩማት ደውሓ ዝዀነ ኣህጉራዊ ስታድዩም ከሊፋ እውን ብወለንታ ይሰርሕ ኣሎ። ዓብደልሓኪም ቀንዲ ስርሑ ነቶም ጸወታ ክዕዘቡ ዝመጹ ተዓዘብቲ ምምራሕን ዘድልዮም ነገራት ምሕጋዝን እዩ። በጻሕቲ ብመሰረት ሕጊ እታ ሃገር ዘይከኣል ነገራት ክገብሩ እንተተረኺቦም እውን ብምግሳጽ፡ ወለንታዊ ኣገልግሎቱ ይዋጻእ እዩ። ብዛዕባ እቶም ፈሊጦም ዝጽይቑ ሰባት እውን ንዝምልከቶ ይሕብር። ዓብደልሓኪም ነዚ ወለንታዊ ኣገልግሎት ቅድሚ ምጅማሩ ሓጺር ስልጠና ወሲዱ እዩ። ጸወታ ንምዕዛብ ናብቲ ስታድዩም ዝመፁ ኵሎም ሰባት ጽቡቕ ስነምግባር ከምዘይብሎም ዝገልጽ እቲ መንእሰይ፡ ገለ በጻሕቲ ነቶም ወለንተኛታት ከምዘሸግሩ ይገልጽ። ቐጠር ካልኣይቲ ሃገሩ ምዃና ዝገለጸ ዓብደልሓኪም፡ ነታ ኣብ ዋንጫ ዓለም ብዙሕ ዕዉት ዘይነበረት ሃገራዊት ጋንታ ቐጠር ደገፉ ይህብ ነይሩ። ኣብ ምድብ ሓደ ምስ ሆላንድ፡ ሰኔጋልን ኢኳዶርን ዝተመደበት ቐጠር፡ ኣብ ሰለስቲኡ ናይ ምድብ ጸወታኣ ስዕረት ኣመዝጊባ ተኣልያ። ይዅን እምበር፡ ብመሰረት ዓብዱልሓኪም፡ \"ቐጠር ብዙሕ ነገራት ተዓዊታ እያ።\" \"ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ኣጋይሽ ምቕባልን ምእንጋድን ከም ዓቢ ዓወት እየ ዝርእዮ።\"","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cz7lrz8xlkdo"} {"headline":"ዋንጫ ዓለም 2022፡ ሞሮኮ ኣንጻር ስጳኛ፡ እንታይ ንጽበ?","content":"ብተሳትፎ 32 ሃገራውያን ጋንታታት ዝተጀመረ ዋንጫ ዓለም 2022፡ ካብ 3 ታሕሳስ ኣትሒዙ ጸወታታት ኣውዲቕካ ምሕላፍ የአንግድ ኣሎ። ናብዚ 16 ሃገራውያን ጋንታታት ዝሳተፋሉ ካልኣይ ዙር እቲ ውድድር ዝሓለፋ ኣፍሪቃውያን ጋንታታት ሰኔጋልን ሞሮኮን ጥራይ እየን። ኣብ ዋንጫ ዓለም 2018 ንኣፍሪቃ ወኪላ ናብዚ ደረጃ ዝበጽሐት ሃገር ዘይምንባሩ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ 2022 ክልተ ሃገራት ካብ ምድብ ጸወታ ምሕላፈን ፍሉይ ምዕራፍ ክኸውን ዝገብር እዩ። እዚ ድሕሪ 2014 ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝበለጸ ብቕዓት ኣፍሪቃ ዝተረኣየሉ እዋን ኰይኑ ኣሎ። ኣብቲ እዋን ናይጀርያን ኣልጀርያን ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ በጺሐን ከምዝነበራ ይዝከር። ናብ ዙር 16 ምብጻሕ ኣገዳሲ ምልክት እኳ እንተዀነ፡ ሞሮኮን ሰኔጋልን ናብ ርብዒ ፍጻመ እንተበጺሐን ኣብ ዋንጫ ዓለም ታሪኽ ኣፍሪቃ ዝቕይር ህሞት ክኸውን ከም ዝኽእል ተስፋ ነይሩ። እንተዀነ፡ ሰኔጋል ብእንግሊዝ ተሳዒራ ድሮ ካብ ካብቲ ውድድር ተኣልያ'ላ። ቅድሚ ሕጂ ሰለስተ ኣፍሪቃውያን ጋንታታት ናብ ርብዒ ፍጻመ በጺሐን እየን፡ ኣብ 1990 (ካሜሩን)፡ 2002 (ሰኔጋል) ከምኡ’ውን 2010 (ጋና)። ይዅን እምበር ክልተ ኣፍሪቃውያን ጋንታታት ኣብ ሓንቲ ዋንጫ ዓለም ናብ ርብዒ ፍጻመ በጺሐን ኣይፈልጣን። ኣብ ዙር 16 ክካየዱ መደብ ካብ ዝተተሓዘሎም ጸወታታት ሓደ ዝዀነ እምበኣር ሞሮኮ ኣንጻር ስጳኛ ኰይኑ፡ ትኹረት ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ዝረኸበ እዩ። ኣንጻር ትጽቢት ኵሉ ሰብ ሞሮኮ ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ እያ ናይ ምድብ ጸወታኣ ዛዚማ። ኣብ ታሪኻ ሓንሳብ ጥራይ ዋንጫ ዓለም ዝተዓወተት ስጳኛ ናብ ቀጻሊ ዙር ክትሓልፍ ተስፋ ክትገብር እያ። መዓስ? ንሞሮኮን ስጳኛን ዘራኽብ ጸወታ ዙር 16 ሰሉስ 6 ታሕሳስ ኣጋምሸት 6፡00 ክካየድ እዩ። ኣበይ? እዚ ጸወታ ኣብ ኣራያን፡ ኢጁኬሽን ሲቲ እዩ ክካየድ። ቢቢሲ ትግርኛ፡ ብዛዕባ’ዚ ጸወታ ክትፈልጥዎም ዘድልዩ ነጥብታት ሰኒዱ ኣቕሪቡልኩም ኣሎ። ስጳኛ ምስ ጃፓን፡ ጀርመንን ኮስታ ሪካን ኣብ ምድብ 5 እያ ተሰሪዓ ነይራ። ሞሮኮ፡ ኣብ ምድብ 6 ምስ ክሮሽያ፡ ቤልጅምን ካናዳን ተመዲባ። ሞሮኮ፡ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2018 ካብ ምድብ ከይሓለፈት ክትተርፍ እንከላ፡ ክሮሽያ ንፍጻመ ሓሊፋ፣ ነቲ ውድድር ካልአይቲ ኰይና እያ ዛዚማቶ። ቤልጅም፡ ፊፋ ኣብ ዘውጽኦ ደረጃ ኵዕሶ እግሪ ዓለም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝተሰርዐት ጋንታ እያ። ስለዚ ሞሮኮ ካብ ምድባ ቀዳመይቲ ኰይና ክትሓልፍ እያ ኢሉ ዝተጸበየ ሰብ ዳርጋ ኣይነበረን ክበሃል ይከኣል። ይዅን እምበር፡ ኣንጻር ክሮሽያ ማዕረ ዝወጸት ሞሮኮ፡ ኣንጻር ቤልጅም 2 ብ 0 ተዓዊታ። ኣብ ናይ መወዳእታ ምድብ ጸወታ ድማ ኣንጻር ካናዳ 2 ብ 1 ተዓዊታ ካብ ምድባ ቀዳመይቲ ኰይና እያ ናብ ዙር 16 ሓሊፋ። ኣብ ታሪኽ ዓለም ዋንጫ፡ ኣብ ምድብ ጸወታታት ካብ ሓደ ግዜ ዝዛይድ ቅድሚት ተሰሪዐን ናብ ዙር 16 ዝሓለፈ ኣፍሪቃውያን ሃገራት ክልተ ጥራይ እየን፤ ናይጀርያ ኣብ 1994ን 1998ን ከምኡ’ውን ሞሮኮ ኣብ 1986ን 2022ን። ስጳኛ መጀመርታ ኣንጻር ኮስታሪካ ዘካየደቶ ጸወታ ንብዙሓት ኣዝዩ ተስፋ ዝሃበ ነይሩ። እታ ንኮስታሪካ 7 ብ 0 ዝረትዐት ጋንታ ስጳኛ፡ ኣንጻር ጀርመን 1 ብ 1 ማዕረ ተፈላልያ። ኣብ ሳልሳይ ጸወታኣ ኣንጻር ጃፓን ውጽኢት የድልያ’ኳ እንተነበረ፡ 2 ብ 1 ተረቲዓ’ያ። ይዅን እምበር ነታ ጀርመናዊት ጋንታ ብፍልልይ ሸቶታት ስለዝበለጸት፡ ንጃፓን ተኸቲላ ካብቲ ምድብ ዝሓለፈት ካልአይቲ ጋንታ ክትከውን ክኢላ። ሞሮኮ ካብ ዘካየደቶም 3 ጸወታታት ሓደ ግዜ ማዕረ ክትወጽእ እንከላ ክልተ ግዜ ረቲዓ 7 ነጥቢን 3 ናይ ሽቶ ፍልልይ ኣመዝጊባ። ስጳኛ ብወገና ሓደ ግዜ ማዕረ፡ ሓደ ግዜ ተረቲዓ፡ ኣብ ሓደ ጸወታ ጥራይ ብምዕዋት 4 ነጥቢን 6 ፍልልይ ሽቶን ሒዛ እያ ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ክትበጽሕ ክኢላ። እወ፤ ሞሮኮን ስጳኛን ኣብ ታሪኽ ዓለም ዋንጫ ሰለስተ ግዜ ተራኺበን እየን። ክልቲአን ጋንታታት ፈለማ ዝተራኸባ ኣብ 1962 ንዝካየድ ዋንጫ ዓለም ኣብ ዝተገብሩ መጻረዪ ጸወታታት እዩ። እዚ ማለት ኣብ 1961 ክልተ ግዜ ዝተራኸባ ክኾና እንከለዋ፡ ቀዳማይ ዙር ጸወታ ሞሮኮ 1 ብ 0 ተረቲዓ። ሞሮኮ ኣብቲ ካልኣይ ዙር ጸወታ ዝሓሸ ብቕዓት እንተርኣየት’ውን ኣብ መወዳእታ 3 ብ 2 ተረቲዓ እያ። ንሳልሳይ ግዜ ኣብ 2018 ኣብ ሩስያ ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ተራኺበን። ኣብቲ እዋን ሞሮኮ፡ ምስ ስጳኛ፡ ኢራንን ፓርቱጋልን ኣብ ምድብ ክልተ ተሰሪዓ ነይራ። ኣንጻር ስጳኛ ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ 2 ብ 2 ማዕረ እንተወጸት’ውን ኣንጻር ፖርቱጋል 1 ብ 0 ተረቲዓ ሓንቲ ነጥቢ ጥራይ ክትረክብ ክኢላ። ነዚ ስዒቡ፡ ካብቲ ወድድር ዝተኣልየት ቀዳመይቲ ጋንታ ከምዝዀነት ይዝከር። ሕጂ ድማ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2022 ሰሉስ ኣብ ዝካየድ ጸወታ ንራብዓይ ግዜ ክራኸባ እየን። ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ሞሮኮ ተዓዊታ ናብ ርብዒ ፍጻመ ክትሓልፍ ተስፋ ይገብሩ። ሞሮኮ ትስእኖ ነገር ስለዘይብላ ርእሰ ተኣማንነት ዝመልኦ ጸወታ ከምተርእይ ይግመት። ስጳኛ ኣብዚ ውድድር ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ኣብ ትኾነሉ እዋን ዝያዳ ከም ትቃላዕ ተራእዩ እዩ። ካብዚ ኣገባብ፡ ጀርመን ሓደ ነጥቢ ክትረክብ እንከላ ጃፓን ግን ንህሞታት መሪጻን ጽዑቕ ቅርጺ ሒዛን ብምጽዋት ምሉእ ብምሉእ ክትዕወት ክኢላ እያ። እዚ ኣጸዋውታ ጋንታ ጃፓን ድማ ምናልባት ንሞሮኮ መርኣያ ክኸውን ዝኽእል እዩ። ሞሮኮ፡ ኣብ ቐጠር ብላዕሊ ካብ ዝመጻ ኵዓሳሱ ክልተ ሸቶታት ዘመዝገበት እንኮ ጋንታ ብምዃን ነዚ ሜላ ክትጥቀመሉ ትኽእል እያ ዝብሉ ኣለዉ። ይዅን እምበር፡ ብዙሓት ተንተንቲ ኣብ መወዳእታ ስጳኛ ክትዕወት ትጽቢት ይገብሩ። ካብዚኦም ሓደ፡ ተንታኒ ኵዕሶ እግሪ ቢቢሲ ዝዀነ ክሪስ ሱተን፡ ኣብ ዙር 16 ናይ ዝካየዱ ጸወታታት ዝምልከት ግምታቱ ዘስፈረ ክኸውን እንከሎ፡ ተስፋኡ ኣብ ስጳኛ ከምዝዀነ ይሕብር። ሱተን፡ ስጳኛ ኣብዚ ውድድር ዝበለጸት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ከምዝዀነት ይገልጽ። ንሱ፡ ኣጸዋውታኦም ኵዕሶ ዝቀባበልሉ መስርሕን ብጣዕሚ ደስ ይብለኒ ይብል። ግን ብርክት ዝበሉ ሽቶታት ስለዘየቝጽሩ ጋንታታት ኣብ ምክልኻል እንተኣተኲረን ከምዝጽገሙ ይገልጽ። ስለዚ፡ ኣንጻር ሞሮኮ ዝካየደ ጸወታ ኣዝዩ ዝተቐራረበ ከምዝኸውን ዘተንብሀ ሱተን ስጳኛ 1 ብ 0 ክትዕወት ትጽቢት ይገብር። ኣብዚ ጸወታ ትዕወት ሃገራዊት ጋንታ 10 ታሕሳስ ኣብ ዝካየድ ጸወታ ርብዒ ፍጻመ ምስ ፖርቱጋል ወይ ስዊዘርላንድ ክትራኸብ እያ።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c2qng4ndky1o"} {"headline":"ቀምቃሚ ጸጕሪ ፍሉጣት ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ዓለም","content":"ቱኒዝያዊ በዓል ሞያ ምቕምቃም ጸጕሪ፡ ኣብ ደውሓ ንብዙሓት ፍሉጣት ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ይቕምቅሞም ኣሎ። ንሱ፡ ናብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጸወታ ቅድሚ ምእታዎም፡ ከምቲ ንሳቶም ዝፈትውዎ ዓይነት ኣቀማቕማ ቀምቂሙ ሸቶታት ከቝጽሩ ቃል ከምዘእትዎም'ዩ ዝገልጽ።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72nxr7nnppo"} {"headline":"ምባፐ፡ ብሉጽ ብሉጻት ዘበልዎ 7 ነገራት እንታይ'ዮም?","content":"ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግሪ ሃረር ኢሎም ዝጽበይዎ ውድድራት ርብዒ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም እዩ። ኣብዚ መድረኽ እተን ብሉጻት ሃገራውያን ጋንታት ፈረንሳን እንግሊዝን ክጋጠማ’የን። ፈረንሳዊ ኪልያን ምባፐ ኸኣ ካብቶም ነቲ ጸወታ ብሃንቀወታ ዝጽበይዎ ዘለዉ ተጻወትቲ እዩ። ንክለብ ፓሪስ ሰይንት ጀርመይን ዝጻወት ኪልያን ምባፐ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኮኸብ ተጻዋታይ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ምስ ጸወታ ርብዒ ፍጻመ ክልቲአን ሃገራት ተዛሚዱ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ጋረዝ ሳውዝጌት፡ ንምባፐ ብኸመይ ክገትኦ ይኽእል ዝብል ካብቶም ኣዘራረብቲ ዛዕባታት ኰይኑ ቀንዩ’ሎ። ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ውድድራት ኩዕሶ እግሪ ዓለም ዝነገሰ ፈረንሳዊ ምባፐ ሸውዓተ ብልጫታቱ ክነግረኩም’ዩ። ኪልያን ምባፐ ካብ ሞናኮ ናብታ ሕጂ ዝጻወተላ ዘሎ ጋንታ ፓሪስ ሴንት ጀርመይን ዝተጸምበረ ብልቓሕ’ዩ ነይሩ። ናብታ ጋንታ ዝተጸምበረሉ ግዜ ኣብ 2017 ኰይኑ እቲ ዝውውር ድሕሪ ሓደ ዓመት ብ180 ሚልዮን ዩሮ ቀዋሚ ተጻዋታይ ክኸውን በቒዑ። ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝተሰርዐን ብራዚላዊ ነይማር ኰይኑ፡ ብ222 ሚልዮን ዩሮ’ዩ ተሰጋጊሩ። ምባፐ ኣብ ውድድራት ሻምፕዮን ፈረንሳ 237 ውድድራት ዝተጻወተ ክኸውን እንከሎ፡ 190 ሸቶታት ኣቝጺሩ'ሎ። ኣብዛ ክለብ ከኣ ምስ ነይማርን ኣርጀንቲናዊ ኮኸብ ሊዮነል መሲ ይጻወት። ምባፐ ስሩዕ ተጻዋታይ ኰይኑ ኣብ ዝተጻወተለን ሸውዓተ ዓመታት፡ ብዓወት ዝዛመሎም ውድድራት፤ እዚ ኣብ ጋንታኡ ተሓቝፉ ዘመዝገቦ ዓወታት ኰይኑ ብውልቍ ድማ ብዙሕ ሽልማታት ዝዓተረ ተጻዋታይ’ዩ። ኣብ ኤውሮጳ ንትሕቲ 21 ዓመት ተጻወትቲ ዝወሃብ ሽልማት ‘ጎልደን ቦይ’ ኣብ 2017 ተሸሊሙ። ኣብ ፈረንሳይ ክልተ ግዜ ብሉጽ ተጻዋይ፤ ኣብቲ ሊግ ድማ ናይዚ ዓመት ብሉጽ ተጻዋታይ፣ ከምኡ’ውን ሰለስተ ግዜ ብሉጽ ተጻዋታይ ዓመት ዝብሉ ሽልማታት ዝዓተረ ብሉጽ ጥበበኛ ኩዕሶ እግሪ’ዩ። ፈረንሳይ፡ ዋንጫ ዓለም 2018 ኣብ ዝተዓወተትሉ ግዜ፡ ምባፐ ወዲ 19 ዓመት’ዩ ነይሩ። ኣብቲ ብሩስያ ተኣንጊዱ ዝተኻየደ ውድድራት ዋንጫ ዓለም ኣርባዕተ ሸቶታት ከምዘቝጸረ ኸኣ ይፍለጥ። ኣብቲ ፈረንሳይ ንክሮኤሽያ 4 ብ 2 ዝሰዓረትሉ ናይ ፍጻመ ጸወታ፡ ምባፐ ሓንቲ ሸቶ ኣቝጺሩ ነይሩ። ኣብ ናይ ፍጻመ ጸወታ ሸቶ ዘቝጸረ ካልኣይ ብዕድመ ዝነኣሰ ተጻዋታይ’ውን’ዩ። ምባፐ ኣብቲ ኣብ ቐጠር ዝካየድ ዘሎ ውድድራት ዋንጫ ዓለም ክሳብ ሕጂ 5 ሸቶታት ብምቝጻር ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዑ ይርከብ። ብሓፈሻ ድማ ኣብ ውድድራት ዋንጫ ዓለም ብዘመዝገበን 9 ሸቶታት፡ ንሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና 8 ሸቶታት ንዘቝጸረ ዲያጐ ማራዶናን ፖርቱጋላዊ ክርስትያኖ ሮናልዶን በሊጹ ናይ ቀዳምነት ቦታ ተረኪቡ'ሎ። ምባፐ ካብ ፓሪስ ውጽእ ኢልካ ኣብ እትርከብ ዓዲ’ዩ ተወሊዱ። ኣብቲ ከባቢ ኤኤስ ቦንድ ተባሂላ ኣብ እትጽዋዕ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ምጽዋት’ኳ እንተጀመረ፡ ቀልቢ ዓበይቲ ጋንታታት ክስሕብ ግን ነዊሕ ግዜ ኣይወሰደሉን። ኣብ 2015፡ ኣብ ፈረንሳይ ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ጋንታታት ናብ ዝዀነት ሞናኮ ተጸምቢሩ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ወዲ 16 ዓመት ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ጋንታ ብዕድመ እቲ ዝነኣሰ ተጻዋታይ’ዩ። ቅድሚ ሕጂ ፈረንሳዊ ተጻዋታይ ጋንታ ኣርሰናል ቴሪ ሀንሪ ኣብ መበል 88 ደቂቕ ተቐይሩ፡ ኣብ ሒደት ደቃይቕ ሸቶ ብምቝጻሩ ሒዝዎ ንዝነበረ ክብረወሰን’ውን ብምባፐ ወሲድዎ እዩ። ፈረንሳይ ንፖላንድ 3 ብ 1 ኣብ ዝሰዓረትሉ ናይ ሎምዘበን ውድድር ዋንጫ ዓለም፡ ምባፐ ዘመዝገቦ ናህሪ፡ ኣብ ሰዓት 35.3 ኪሎ ሜትር’ዩ ነይሩ። ኣብዚ ናይ ሎምዘበን ውድድራት ዋንጫ ዓለም ቅልጡፍ ሰዓት ዘመዝገቡ 6 ተጻወትቲ ጥራይ’ዮም። ኣብቲ ዝጻወተሉ ሊግ ፈረንሳ’ውን እንተዀነ፡ ኣብ ሰዓት 36 ኪሎ ሜትር ዘመዝገበ ቅልጡፍ ተጻዋታይ ከምዝዀነ እዩ ዝፍለጥ። ምባፐ ዘመዝገቦ ናህሪ ብዝግባእ ምእንቲ ክስቆረና፡ ምስቲ ንጉስ ጉያ ሓጺር ርሕቐት ዝዀነ ጃማይካዊ ዩሴን ቦልት ነነጻጽሮ። ቦልት ኣብ 2009 ን100 ሜትር ብ9.58 ደቒቕ ዛዚሙ፤ ክብረወሰን ዓለም ኣብ ዝሰበረሉ ግዜ ብማእከላይ ገምጋም 37.58 ኪሎ ሜትር’ዩ ጎይዩ። ምስ ፕረዚደንት ሪያል ማድሪድ ፍሎሬንቲኖ ፐሬዝ ንነዊሕ ግዜ ክጸናንዑ ድሕሪ ምጽናሕ ምስ እታ ዓባይ ጋንታ ንኽጻወት ብገንዘብ ተሰማሚዖም። እንተዀነ ምባፐ ነቲ ውዕል ውዱቕ ገይሩ ኣብ ፓሪስ ክጸንሕ ወሲኑ። ምስ ጋንታኡ ዘጽንሖ ናይ ሰለስተ ዓመት ውዕል ከኣ ፈሪሙ። ክኢላ ትንተና ኵዕሶ እግሪ ስጳኛ ጊለም ባላግ፡ ክልቲኤን ጋንታታት ንፊርማ ምባፐ ጥራይ 150 ሚልዮን ዩሮ ንምኽፋል ኣብ ስምምዕ በጺሐን ከም ዝነበራ ይገልጽ። ምባፐ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠይቕ፡ ንሪያል ማድሪድ ንምጽዋት ዘለዎ ሕልሚ ፈጺሙ ከምዘይተወድአ ገሊጹ ነይሩ። ኣብቲ ዝሓለፈ ጥቅምቲ መጽሔት ፎርብስ ኣብ ዝሓተሞ ጽሑፍ፡ ምባፐ ካብቶም ልዑል መጠን እቶት ዘለዎም ተጻወትቲ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዑ። ንትሽዓተ ዓመታት ዝኸውን ካብቶም ሃብታማት ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ዝዀኑ መሲን ሮናልዶን ወጻኢ፡ ካልእ ነዚ ጸጋ ዝተዓደለ ተጻዋታይ የለን። ኣብዚ ዘመነ ውድድር፡ 128 ሚልዮን ዩሮ ክረክብ ከምዝኽእል ይግመት። ምባፐ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣዝዩ ውሩይ ኰይኑ ኣብ ኢንስታግራም፡ ፈይስቡክን ትዊተርን ኣስታት 100 ሚልዮን ሰዓብቲ ኣለውዎ። ኣብዚ ናይዚ ዓመት ውድድር ዋንጫ ዓለም ምስ ሮናልዶ፡ መሲን ነይማርን ኣዝዮም ጸለውቲ ኣብ ዝብል ሪጋ ተሰይሙ። ምባፐ ቅድሚ 4 ዓመት ምስ ሃገራዊት ጋንታኡ ዋንጫ ዓለም ምስዓተረ ነቲ ውድድር ዝተኸፈሎ 380 ሽሕ ፓዉንድ ንግብረ ሰናይ ትካል ህጻናት ከምዝለገሰ ይፍለጥ።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ckvq1le5zkgo"} {"headline":"ዋንጫ ዓለም 2022፡ ካብቲ ዘይጽቡይ ዘሰንብድ ውጽኢታት እንታይ ተዓዚብና?","content":"ኣብ ናይ ምድብ ጸወታ ዋንጫ ዓለም 2022፡ ክብረወሰን ዝሓዘ ዘሰንብድን ትጽቢት ዘይተነብሮን ውጽኢታት ተመዝጊቡ እዩ። እዚ ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ዘሰንብድ ውጽኢት ዝተራእየሉ ናይ ምድብ ጸወታ ዋንጫ ዓለም ከመይ ከምዝቐጽል ኣተንቢሁ ተዛዚሙ ኣሎ። ኣብ ኵለን ምድባት ዘገርምን ብሉጽ ብቕዓትን ተራእዩ እዩ። ገለ ካብቶም ቀንዲ ተጻወትቲ ናብ ብቕዓቶም ብምምጽኦም ድማ እቲ ኣውዲቕካ ምሕላፍ መሳጢ ምዕራፍ ክኸውን የኽእሎ። ስለዚ፡ ኣብቲ መኽፈቲ ክፋል ናይዚ ውድድር ዝተራእዩ ቀንዲ ፍጻመታት እንታይ ነይሮም? ካብ ንዋንጫ ዓለም 2022 ክዕወታ ግምት ዝተዋህበን ሃገራት ብዘይካ ቤልጅየምን ጀርመንን መብዛሕትአን ካብቲ ውድድር ካብ ምግላፍ ኣምሊጠን ክዀና ይኽእላ እየን፣ እንተዀነ ቀሊል ጕዕዞ ኣይነበረን። እቲ ናይ መጀመርታ ዘሰንብድ ውጽኢት ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ተመዝጊቡ። እታ ብኵዕሶ እግሪ ኣብ ዓለም መበል 51 ደረጃ ዝሓዘት ስዑዲ ዓረብ ንኣርጀንቲና ኣሰንቢዳ እያ። ኣብዚ መዳይ፡ ጃፓን እውን ኣይተበለጸትን፤ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ዋላ’ኳ ብኣጋኡ ብፍጹም ቅላዕ እንተተመርሐት፡ ንጀርመን ስዒራታ እያ።  ኣብ መወዳእታ ናይ ምድብ ጸወታ’ውን ኣንጻር ስጳኛ ኣብ ዝገበረቶ ጸወታ ንኻልኣይ ግዜ ካብ ድሕሪት ተበጊሳ ብምስዓር ንምድባ ክትመርሕ ክኢላ። ኣብ መወዳእታ ምድብ 5 ዝተጋህደሉ ግን፡ እቲ ዝዓበየ ዘገርም ውጽኢት ኮስታሪካ ኣብ ካልኣይ ጸወታኣ ንጃፓን ምርታዓ እዩ። ቤልጅየም ክትሃስስ ዝረኣና’ውን ይመስል። ብርግጽ እቲ ጽንኩር ዝነበረ ዳሕረዋይ መስመሮም ብብቕዓት ሞሮኮ ተቓሊዑ፤ ኣብ ዓለም ካልኣይ ደረጃ ዝሓዘት ጋንታ ሮበርቶ ማርቲነዝ ድማ ካብቲ ውድድር ተገሊፋ። ፈረንሳን ብራዚልን ከይተረፋ ካብ ዘገርም ውጽኢት ነጻ ኣይነበራን። ፈረንሳ ብቱኒዝያ 1 ብ 0 ዝተሰዓረት፡ ዲድየር ደሻምፕስ ኣብ ኣሰላልፋኡ 9 ለውጢ ድሕሪ ምግባሩ ክኸውን ይኽእል'ዩ። እንተዀነ ኣብ ዕጥቂ ናይዛ ሻምፕዮን ዓለም ገለ ሃጓፋት ከምዘሎ ኣቃሊዑ እዩ። ብራዚል እውን ከምኡ፡ ብካሜሩን 1 ብ 0 ኣብ ዝተሳዕረትሉ ግጥም 9 ለውጥታት እያ ገይራ። ኣብ መወዳእታ ካብ ሽዱሽተ ኣህጉራት ዝመጻ ሃገራት ንመጀመርታ ግዜ ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ በጺሐን። ብመሰረት ትንታነ ኒልሰን ግራሴኖት፡ ካሜሩን ኣብ ልዕሊ ብራዚል ዘመዝገበቶ ዓወት፡ ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ውድድር መበል 12 ትጽቢት ዘይተገብረሉ ውጽኢት ኰይኑ ኣሎ። [ትጽቢት ዘይተገብረሉ ውጽኢት፡ ናይታ ተዓወቲት ጋንታ ዕድል ዓወት ካብ 16.7 ሚእታዊ ክሳብ 33.3 ሚእታዊት ኣብ ዝነበረሉ ክኸውን እንከሎ ዘሰንብድ ውጽኢት ድማ ትሕቲ 16.7 ሚእታዊት ኣብ ዝነበረሉ ጸወታ እዩ።] ስለዚ ዋንጫ ዓለም 2022 ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተገብሩ 32 ጋንታታት ዝሓቘፉ ውድድራት ንላዕሊ ኣብ ምድብ ጸወታ እቲ ዝበዝሐ ትጽቢት ዘይተገብረሉን ዘሰንብድን ውጽኢት ዝተመዝገበሉ እዩ። እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ክብረወሰን 9 ኰይኑ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2002ን ከምኡ’ውን 2010ን ዝተመዝገበ እዩ። ኣርጀንቲና ብስዑዲ ዓረብ [8.7 ሚእታዊት ግምት ዝተወሃባ] ምስተሰዓረት እቲ እንኮ ዘሰንብድ ውጽኢት መሲሉ’ኳ እንተነበረ፡ ብዓርቢ ካሜሩን (5.9 ሚእታዊት ግምት ዝተወሃባ) ኣንጻር ብራዚል ዝረኸበቶ ዓወት ተወሲኽዎ'ሎ። ዋላ’ኳ ብራዚል ድሮ ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ኣትያን 10 ለውጥታት ገይራ እንተነበረትን እቲ ውጽኢት ግን ዘሰንብድ እዩ። ኣብዚ ዋንጫ ዓለም ብዛዕባ እቶም ብሉጻት ከዋኽብቲ ሕቶታት ተላዒሎም ነይሮም። ሕጂ'ውን ምስ ብቕዓቶም ድዮም? ኣብ በረኻ ኸ ክጻወቱ ይኽእሉ’ዶ? መብዛሕትኦም ዝሃብዎ መልሲ ዘየማትእ እወ ኰይኑ’ዩ ጸኒሑ። ድሕሪ ተስፋ ዘቝርጽ ኣጀማምራ፡ ሊዮነል መሲ ኣንጻር ሜክሲኮ ኣገዳሲት ፈላመይቲ ሸቶ ብምምዝጋብ ኣርጀንቲና ኣብ ምድብ 3 ክትደምቕ ገይሩ እዩ። ድሕሪኡ፡ ዋላ'ኳ ፍጹም ቅላዕ እንተሰሓተ ኣንጻር ፖላንድ ሽቶ ኣመዝጊቡ ጋንታኡ ናብ ዙር 16 ክትሓልፍ ኣኽኢልዋ እዩ። ንነዊሕ እዋን መነሓንሕቱ ኰይኑ ዝጸንሐ ክርስትያኖ ሮናልዶ ኣብ ክለቡ [ማን ዩናይትድ] ጸገማት ኣጋጢምዎ ክኸውን ይኽእል'ዩ፤ እንተዀነ ንፖርቱጋል ክሳብ ክንደይ ብቕዓት ከምዘለዎ ከርእያ ጸኒሑ'ዩ። እዚ ወዲ 37 ዓመት ተጻዋታይ ንኽዕወት ኵሉ ክእለቱ ከርኢ ድሕሪ ምጽናሕ ኣንጻር ጋና ፍጹም ቅላዕ ብምምዝጋብ ኣብ 5 ዋንጫታት ዓለም ሽቶ ዘመዝገበ ፈላማይ ተጻዋታይ ኰይኑ። ብድሕሪኡ ኣንጻር ዩራጋይ ፈላመይቲ ሽቶ ብምምዝጋብ ሓጐሱ ጸንቢሉ። ሮበርት ለዋንዶውስኪ ከይተረፈ ናብቲ ሰልፊ ተጸንቢሩ ኣሎ። ፖላንድ ብዙሕ መሳጢት ኣይኮነትን፣ ቀንዲ ተጻዋታያ ግን ኣብ ዋንጫ ዓለም ፈላመይቲ ሽቶኡ ብምምዝጋብ፡ ድሕሪ 1986 ንፈለማ እዋን ሃገሩ ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ክትበጽሕ ኣኽኢልዋ። ብዛዕባ ኪልያን ምባፐ ብዙሕ ተጻሒፉን ተባሂሉን'ኳ እንተነበረ፡ እዚ ፈረንሳዊ ኣጥቃዓይ ግን ዘየሐጕስ ኣይኰነን። ኣብ ምድብ ጸወታታት ልዑል ብቕዓትን ሰለስተ ሸቶታትን ብምምዝጋብ ጋንታኡ ቀዳመይቲ ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ዝበጽሐት ክትከውን ኣኽኢሉዋ እዩ። መንእሰያት ስጳኛ’ውን ኣብ ገለ እዋናት ከሐጕሱ ጸኒሖም’ዮም። ኣብ መኽፈቲ ጸወታኣ ንኮስታሪካ 7ብ0 ኣብ ዝሰዓረትሉ ግጥም፡ ወዲ 17 ዓመት ጋቪ፡ ድሕሪ’ቲ ህቡብ ብራዚል ፔለ እቲ ዝነኣሰ ኣመዝጋቢ ሸቶ ዋንጫ ዓለም ኰይኑ ኣሎ። ወዲ 23 ዓመት ሆላንዳዊ ኮዲ ጋክፖድሮ ሓደ ካብቶም ኣብ ኣውሮጳ ኣዝዮም ተጠለብቲ ዝዀኑ ኣጥቃዕቲ ኰይኑ'ሎ። ኮዲ፡ ካብ 2002 ጀሚሩ ኣብ ሰለስቲኡ ጸወታታት ምድብ፡ ሸቶ ዘመዝገበ ፈላማይ ኣውሮጳዊ ተጻዋታይ ብምዃን ዋጋኡ ዘበርኸሉ ተኽእሎ ኣሎ። ካናዳዊ ኣልፎንሶ ዳቪስ፡ ጋናዊ መሓመድ ቅዱስን እንግሊዛውያን ፊል ፎደንን ቡካዮ ሳካን ዘርአይዎ ክእለት፡ ኣብቲ ዝዓበየ መድረኽ ውድድር ንምጽዋት ዘለዎም ብቕዓት ኣጕሊሑ። ከምኡ'ውን ካልእ ተጻዋታይ እንግሊዝ ጁድ በሊንግሃም ሳላ ሸቶን ኣንጻር ኢራን ዘርኣዮ ኵሉ መዳያዊ ኣጸዋውታኡን ሃገሩ ኣብ ቅድሚት ምድብ 2 ክትስራዕ ሓጊዙዋ’ዩ። እታ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ዓለም እትርከብ ጋንታ ንኣውሮጳውያን መጋጥምታ ሰርብያን ስዊዘርላንድን ረቲዓ፡ ኣዝያ ዝተቐየረት ጋንታ ብካሜሩን ኣብ ዝተሳዕረትሉ እዋን ድማ ድሮ ዙር 16 ሓሊፋ ነይራ። ተንታኒ ኵዕሶ እግሪ ቢቢሲ ክሪስ ሱተን፡ ኣብ ልዕሊ ሰርብያ 2ብ0 ዘመዝገበቶ ዓወት \"ናይ ብሓቂ ሓይሊ ዘርኣየ\" ክብል ገሊጽዎ፤ ሪቻርልሰን ዘመዝገባ መስተንክር ካልኣይቲ ሸቶ፡ ብራዚል ንምዕዋት ከምዝመጸት ዘርኢ ልሙድ ውሕሉል ምልክት'ዩ። ብራዚል፡ ንነይማር ብመስበርቲ ምስኣና ዘሕዝን'ኳ እንተዀነ፡ ቪኒቺየስ ጁንየርን ራፊንሃን ብጐድኒ በሪሆም እዮም። ጋብሪኤል ማርቲነሊን ኣንቶኒን ድማ ከም ዕቑራት ተጻወትቲ ስለዘለዉ፡ ዕምቆት ጋንታኦም ሕጂ’ውን ዘቕንእ እዩ። ብዘይካ'ዚ፡ እቲ ኣጥቅዓይ ፓሪስ ሰይንት ጀርመይን [ነይማር] ኣብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ናብ ጸወታ ተመሊሱ ኣብቲ ኣንጻር ስጳኛን ኣርጀንቲናን ክጻወትን ናብ ፍጻመ ዝግበር ጕዕዞ ክሕግዝን ይኽእል እዩ። እቲ ወትሩ ዘይደክም ቲያጎ ሲልቫ ድሕሪት መስመሩ ኣብ ምምዕባል፣ ካሰሚሮ ብደረጃ ክለባት ኵሉ ክዕወት ዘኽኣሎ ብቕዓቱ፣ ካብ ዝኾነ ቦታ ሸቶታት ከመዝግቡ ዝኽእሉ ኣጥቃዕትን ኣብ ዘለዉሉ ኵነታት፡ እዛ ሓሙሽተ ግዜ ዋንጫ ዓለም ዝተዓወተት ጋንታ ክትዕወት ከምትኽእል ኣየካትዕን። ብዝሒ ሽቶ ዘመዝገቡ                                               5 ተጻወትቲ                         -                      3 ብዝሒ ፈተነታት                                                      ኪልያን ምባፐ                  ፈረንሳ                 16 ብዝሒ ንሽቶ ዘቐበለ                                                 ሃሪ ኬን                          እንግሊዝ                 3 ብዝሒ ኵዕሶ ዝተንከፈ                                              ሮድሪ                            ስጳኛ                     481 ብዝሒ ዝዓገተ                                ኣክራፍ ሃኪሚን ኢብራሂም ኮናተን                 ሞሮኮን ፈረንሳ         13 ብዝሒ ሸቶ                                              እንግሊዝን ስጳኛን                9 ብዝሒ ፈተነ                                                        ጀርመን                             69 ብሉጽ ናብ ሽቶ ናይ ምቕያር መጠን                             ኮስታሪካ                         27% ውሑድ ሽቶ ምእንጋድ                                            6 ሃገራት                        1 ውሑድ ፈተነ ዘአንገደት                                        ኣርጀንቲና                           11 ብሉጽ ምድሓን ብሚእታዊ                                  ኔዘርላንድስ                      91% ልዑል ምቁጽጻር ኵዕሶ                                          ስጳኛ                              77% ብዝሒ ምዕጋት                                                     ፈረንሳ                               77","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cxxjyexe4j5o"} {"headline":"ዋንጫ ዓለም 2022፡ መን ክትዕወት ትኽእል ኣብ ዝብል ክኢላታት ዝሃብዎ ግምት","content":"ዋንጫ ዓለም ጽባሕ ሰንበት 20 ሕዳር ኣብ ቐጠር ስታድዮም ኣል ባያት ጀሚሩ 18 ታሕሳስ ኣብ ስታድዮም ዶሓ ክዛዘም’ዩ። 32 ሃገራት ኣብ 28 መዓልታት 64 ጸወታታት ብምክያድ ዛንተአን ኣብ ዋንጫ ዓለም ንምድማቕ ንሓንቲ ዋንጫ ንምውሳድ ክፋጠጣ እየን። እታ ኣብ 2018 ነዚ ውድድር ኣብ ሩስያ ዝተዓወተትሉ ፈረንሳን፡ ሓሙሽተ ግዜ ንዋንጫ ዓለም ብምዕዋት ክብረ ወሰን ሒዛ ዘላ ብራዚልን ኸኣ ኣብ ልዕሊ ክብረን ክብሪ ንምውሳኽ ዳንገአን ስሒለን’የን ናብዚ ውድድር ክኣትዋ። ነዚ ውድድር መን ክትዕወተሉ ትኽእል ኣብ ዝብል ዓበይቲ ተንተንቲ ኩዕሶ እግሪ ዝሃብዎ ግምታት ከነቕርበልኩም። ኣላን ሽረር፡  ኣርጀንቲና ክትዕወተሉ እያ። ልዮነል ሜሲ ነዛ ዋንጫ እዚኣ ብምዕዋት ታሪኹ ዘድምቐሉ ዕድል’ዩ። እዚ ውድድር እዚ ነቲ ሸውዓት ግዜ ኮኾብ ተጻዋታይ ዓለም ዝተብሃለሉ ዝያዳ ዘድምቕ ኮይኑ ነዛ ዋንጫ እዚኣ ብምውሳድ ታሪኹ ብቕሔ ጽልሚ ክዛዝሞ’ዩ። ኣርጀንቲናውያን ንሜሲ ምስ ድያጎ ማራዶና ከወዳድርዎ እንከለዉ ዋንጫ ዓለም ብዘይምውሳዱ ጥራይ ሚዛኖም ናብ ማራዶና’ዩ ዝዛዙ። ኣርጀንቲና ንኹሎም ዘለውዋ ተጻወትቲ ኣብ ግምት ብምእታው ብልዮነል ሜሲ እናተቐለሰት ነዛ ዋንጫ ክትወስዳ’ያ። ሚካህ ሪቻርድ፡  ኣነ ብራዚል’የ ዝብል።  ብዙሕ ሰብ ነታ ብሜሲ ትምራሕ ኣርጀንቲና ከምዝብል ግርም’ዩ ዝብለኒ። እዚ ዓመት ነይማር ዝደምቐሉ ዓመት’ዩ። ነይማር ኣብ መጻረዪ ዋንጫ ዓለመ ሸሞንተ ሸቶታት ከምዝግብ ክኢሉ ኣሎ ኣብ ፒኤስጂ ኮይኑ ዘርእዮ ዘሎ ብቕዓት’ውን እጹብ ድንቒ’ዩ። እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብኡ ከምእትምርኮስ ዘጠራጥር ኣይኮነን፡ እሱ ኸኣ ነዚ ደቂ ሃገሩ ካብኡ ዝጽበይዎ ኣብ ምምላእ ዝጎድሎ ነገር የለን። በዚ ኢልካ በቲ ኮኾብ እዚ ውድድር ኮይኑ ክወጽእ’ዩ። ክሪስ ስቶን፡ ፈረንሳ፡ ፈረንሳ ከምእንፈልጦ ብዘይጥርጥር በቲ ዕዉት ባሎንዲኦር ካሪም በንዚማ፣ ካይልያን ምባኦን ኦስማነ ደምበለን ዝምራሕ ኣዝዩ ውሁድ ናይ ምጥቓዕ ብቕዓት ዘለዋ ሃገራዊት ጋንታ’ያ፡ ካብዞም ሰለስተ ሓደ ኣጥቃዓይ እንተቦኲሩ’ውን ኣንቶኒ ግሬዝማን ኣለዋ። ኣብ ማእከል ሜዳ ካብ ዝጻወቱ ተጻወትቲ ዝተሃረሙ ከምዘለውዋ ዝክሓድ ኣይኮነን እንተኾነ ኣርሊን ቶቸማኒን ኢድዋርዶ ካማቪጋን ስለዘለዉ ስኽፍ ዘብል ኣይኮነን። ዋላ ሳይንስ ኣይንበሎ ፈረንሳ ኣብ ዋንጫ ዓለም ዋላ ኣብ ዝተሓተ ብቕዓት እንከለዉ’ዮም በትን በትን ኢሎም ናብ መወዳእታ ዝበጽሑ፤ ነቲ ኣብ 2018 ኣብ ሩስያ ዝተጎናጸፍዎ ዓወት ሎሚ ክደግምዎ ኸኣ ዝሕዞም ኣይክህሉን’ዩ። ኣሌክስ ስኮት፡ ብራዚል፡ እዛ ሃገራዊት ጋንታ ብምኩራት ተጻወትትን ብተካእቲ መንእሰያትን ዝተተኽተኸት’ያ። ከም ቪንሰንት ዝኣመሰሉ ድሙቕ ዓወታት ዝሓፈሱ መንእሰያትን ከም ነይማር ዝኣመሰለ ምኩር ተጻዋታይን ዝሓዘት ሃገራዊት ጋንታ’ያ። ብዙሕ ግዜ ሃገራውያን ጋንታታት ቅድሚ ውድድራት ዋንጫ ዓለም ብጥርኑፍ ብዙሕ ልምምድ ስለዘየካይዳ፡ ብቕዓት እተን ሃገራውያን ጋንታታት ኣብ ውልቀ ብቕዓት ተጻወትተን ከምዝምርኮስ ኣብ ሕሉፍ እዋናት ስለዝርኣናዮ፡ እዞም ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ዘለዉ ተጻወትቲ ዘለዎም ብቕዓት ኣብ ግምታ ብምእታው ብራዚል ክትዕወት’ያ እብል። ኣሽሊ ዊልያምስ፡ ብክልተ ነገራት’የ ብራዚል ክብል እቲ ሓደ ዕሉል ደጋፊ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ስለዝኾንኩ፡ እቲ ካልኣይ ኸኣ እታ ሃገራዊት ጋንታ ዘለዋ ንዝኾነ ናይ  ምክልኻል መስመር በሲዑ ክሓልፍ ዝኽእል መስመር ምጥቓዕ ነታ ሃገራዊት ጋንታ ከዐውታ ዝኽእል እዩ። ፋራ ዊልያምስ፡  መንፈሰይ ብራዚል’ያ ክትዕወት’ዩ ዝብለኒ፡ እዚ ኸኣ ኣዝዩ ዘተኣማምን መስመር መጥቓዕቲ ስለዘለዎምን እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ኩሉ ቦታታት ምልኣት ስለዘለዋን’ዩ። እንተኾነ ልበይ እንግሊዝን ብራዚልን ናብ ፍጻመ በጺሐን እንግሊዝ ነዛ ዋንጫ ሒዛትልና ክትመጽእ’ያ ዝብል እምነት ኣለኒ። ጀረሚን ጀናስ፡ ምዕዋት ኣብ ዘለካ ናይ ምጥቃዕ ክእለት ዝያዳ ከምዝምርኮስ ኩልና ንስሕቶ ኣይኮነን፡ ኣርጀንቲና ኣብ 2021 ኣብ ኮፓ ኣመሪካ ንብራዚል ብምስዓር ነታ ዋንጫ ተዓዊቶሙላ’ዮም፤ እቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዘዐወቶም ሜላ ገና ምስ ላህመቱ ስለዘሎ ነቲ ሜላ ሒዞም፡ ነታ ኣብ ቐጠር’ውን መቐናቕንቶም ክትከውን ትኽእል ብራዚል ብምስዓር ታሪኽ ክሰርሑ’ዮም። ታሪኽ ሜሲ’ውን ንእግረ መንገዱ ኣብ ዓንዲ ወርቒ ይጽሓፍ። ካረን ባርድስለይ፡ ብታሪኽ ክንርእዮ እንከለና፡ እታ ዝወሓደ ሸቶ ዝተመዝገባ’ያ ኣብ ዋንጫ ዓለም ትዕወት፡ ካብዚ ብምብጋስ መን’ያ ዝሓየለ መስመር ምክልኻል ዘለዋ ሃገራዊት ጋንታ ምፍታሽ ዝቐለለ’ዩ፡ ኣብዚ ካብ ምክልኻል ዝሓለፈት ኵዕሶ ኣብ ምምካን ተራ ሓላዊ ልዳት ኣዝዩ ወሳኒ’ዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ብራዚልን ኣርጀንቲናን ኣብ ቅድሚት ይስርዓ። ካብ ኣርጀንቲና ኸኣ ብራዚል ኣብ ኩሉ ዝደልደለት ስለዝኾነት ብራዚል ክትዕት’ያ እብል። ርዮ ፈርዲናንድ፡ ንውህደት ጋንታን ውልቀ ብቕዓትን ኣብ ግምት ብምእታው ዓይነይ ከይሓሰኹ ብራዚል ይብል። ብራዚል ንጸወታ ናይ ረብሐኦም ኣብ ምቕያር ፍሉይ ክእለት’ዩ ዘለዎም። ሮብ ግሪን፡  ብራዚል ኣብ ምሉእ ሜዳ ኣዝዮም ብቑዓት ዝኾኑ ተጻወትቲ’ያ ሓቊፋ ዘላ። እቲ ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ዘለዎም ክብረ ወሰን’ውን ንዓወት ደራኺ’ዩ። ጋቢ ሎጋን፡ ብቕዓት ልዮነል ሜሲ ዋንጫ ንምውሳድ ዘጠራጥር ኣይኮነን፡ የግዳስ ሓደ ብጥቅሉሉ ክዛረበሉ ዝኽእል እዛ ዋንጫ ናብ ደቡብ ኣሜሪካ’ያ ክትከይድ፡ ካብኡ ናብኡ ኸኣ እቶም ብጫ ማልያ ለቢሶም [ብራዚል] ንዋንጫ ዓለም ወትሩ ድምቐትን መቐረትን ዝህብዎ ደቡብ ኣሜሪካውያን ከምልማዶም ነዛ ዋንጫ ናብ ዓዶም ክወስድዋ’ዮም። ዳኒ ሞርፊ፡ እዛ ዋንጫ ካብ ብራዚልን ካብ ኣርጀንቲናን ከምዘይትሓልፍ’ዩ ዝርድኣኒ፡ ክልቲኤን ሃገራውያን ጋንታታት ሒዘንኦም ዘለዋ ተጻወትቲ ዝልከፉ ኣይኮኑን። ኣርጀንቲና ኸኣ በቲ ድንቒ ተጻዋታይ ናይዛ ዓለም [ልዮነል ሜሲ] እናተመርሐት ነዛ ዋንጫ ክትወስዳ’ያ እብል። ዳኒ ጋቢዶን፡  ፈረንሳ ኣብዚ እዋን እንተርኢናያ፡ ኣብ ኩሉ ክፋል ሜዳ ብፍላይ ኸኣ ኣብ ምጥቃዕ ሓዊ ሓዊ ዝጨንዉ ተጻወትቲ’ያ ሒዛ ዘላ። እታ ሓንቲ ንኣሰልጣኒ ዲደር ደስቻምፕ ከተሸግሮ ትኽእል ነጥቢ፡ ነዞም ኩሎም ከዋኽብቲ ሒዝካ እንታይ ዓይነት ሜላ ኣጸዋውታ ትጻወትን ንመን ተሰልፍን ዝብል’ዩ ክኸውን፡ ምኽንያቱ ኩሎም ኣብ ጥርዚ ብቕዓት’ዮም ዝርከቡ። ጁርገን ክሊንስማን፡ ኣብ ኣርጀንቲና እቲ ቀንዲ ቀላሲ ልዮነል ሜሲ ከምዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን። እዚ ወዲ 35 ዓመት ተጻዋታይ ንዋንጫ ዓለም ክዕወተላ እታ እንኮ ዕድሉ ሕጂ ከምዝኾነት ንሱ’ውን ዝስሕቶ ኣይመስለንን፡ ነዛ ዋንጫ ንምውሳድ ኸኣ ኩሉ ዝክኣሎም ክገብሩ’ዮም። ብራዚል እንተርኢና ግን ኣብ ሓደ ውልቀ ሰብ ዘይትምርኮስ ጋንታ’ዮም ሃኒጾም ዘለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝርኣናያ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ኸኣ ነታ ዋንጫ ክትዕወተላ ከምእትክእል ዘጠራጥር ኣይኮነን። ስለዚ ኣነ ብራዚል ክትወስዳ’ያ እብል። ብራዚል [ሸውዓት]፡ ሚካህ ሪቻርድ፡ ኣሌክስ ስኮት፡ ኣሽሊ ዊልያምስ፡ ጋቢ ሎጋን፡ ጁርገን ክሊንስማን፡ ርዮ ፈርዲናንድ፡ ካረን ባርድስለይ፡ ማትዮው ኦፕሰን፡ ሮብ ግሪንን ሮቢ ግሪንን። ኣርጀንቲና [ሰለስተ]፡ ኣለን ሺረር፡ ጅረምያ ጆናስን ዳኒ ሙርፊን። ፈረንሳ [ክልተ]፡ ክሪስ ሱቶንን ዳኒ ጋቢዶንን። እንግሊዝ [ሓደ] ፡ ፋራ ዊልያምስ።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c720dygmez2o"} {"headline":"ዋንጫ ዓለም 2022 - ሰሌዳ ግጥማትን ቀጥታዊ ውጽኢትን","content":"ዋንጫ ዓለም 2022 ካብ ሰንበት 20 ሕዳር ክሳዕ 18 ታሕሳስ 2022 ኣብ ቐጠር ክካየድ እዩ። ኣብቲ ብዓለምለኻዊ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ- ፊፋ- ዝውደብ ግጥም 32 ሃገራውያን ጋንታታት ክሳተፋ እየን። እቲ ግጥም ኣብ ሓሙሽተ ከተማታት ኣብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሜዳታት ኩዕሶ እግሪ ክካየድ እዩ። ንውጽኢት ግጥማት ዋንጫ ዓለም 2022 ቀጠር ብቐጥታ ኣብዚ ገጽ ቢቢሲ ትግርኛ ክትከታተሉ ንዕድም።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/sport-63643324"} {"headline":"ዋንጫ ዓለም 2022፡ ዩራጓይ ንጋና ለኪማ ካብ ውድድር ተገሊፋ","content":"ዩራጓይ፡ ሎሚ'ውን ድሕሪ 12 ዓመት ነታ ሒነኣ ክትፈዲ ትጽቢት ዝተገብረላ ጋና 2 ብ 0 ብምስዓር ካብቲ ውድድር ገሊፋታ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ ምድበን ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ ግጥም፡ ደቡብ ኮርያ ንፓርቱጋል 2 ብ 1 ብምስዓራ፡ ዩራጓይ'ውን ካብ ዕጫ ጋና ኣይደሓነትን። ግጥም ድሕሪ ምጅማሩ፡ ኣብ ውሽጢ 20 ደቓይቕ ጸሎት ጋናውያንን ኣፍሪቃውያንን መን ከምዝሰምዖ፡ ብቪ-ኤ-ኣር ዝተወሰነት ፍጹም ቅላዕ ተዋሂባ። እንተኾነ ግን፡ ሓደ ካብ ኣጥቃዕቲ ጋና ኣንድረ ኣዪዉ ኣብ መበል 21 ደቂቕ ኣፍኲሱ ዝቐልዓ ኩዕሶ ንልቢ ብዙሓት ደገፍቲ ጋና ሰይራ- ብሓላው ልዳት ዩራጓይ ተመሊሳ። ብዙሕ ከይጸንሑ ዩራጓይ፡ ብጂዮርጆ ዲ ኣራስካታ ቅድሚ ዕረፍቲ ኣብ ዝቐጸለ ግዜ ክልተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ስዒሮም። እንተኾነ ግን፡ ዩራጓይ ዓስቢ ዘካየድዎ ሓያል ግጥም ኣብ ክንዲ ሰሓቕን ሓጎስን ሓዘንን ብኽያትን ተጎልቢቦም፡ ንጋና ለኪሞም ተገሊፎም። ሓደ ነጥቢ ሒዛ ናብቲ ግጥም ዝኣተወት ደቡብ ኮርያ ነታ ድሮ ምሕላፋ ኣረጋጊጻ ዝነበረት ፖርቱጋል ብምስዓር 4 ነጥቢ ኣዋህሊላ'ያ ካልኣይቲ ኮይና ሓሊፋ ዘላ። ኣብ ዋንጫ ዓለም 2010 ጋና ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ዝበጽሐት ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ካብ ምዃን ዝተረፈት ብሰንኪ ዩራጋይ እዩ ነይሩ። ስዋሬዝ ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ተወሳኺ ግዜ፡ ንጋና ሽቶ ክትከውን ዝነበረት ኩዕሶ ኣብ መስመር ልዳት ኮነ ኢሉ ብኢዱ ምስ መለሳ ካብ ሜዳ ብቐይሕ ተባሪሩ። ኣሳሞኣ ጂያን ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ዝወቕዓ ፍጹም ቅላዕ ዕንጨይቲ ልዳት ወቒዓ። እዚ ማለት እቲ ጸወታ 1 ብ 1 ተዛዚሙ። ዩራጋይ ድማ ብድራማዊ ኩነታት ናብ ፍጹም ቅላዕ ክትኣቱ ክኢላ። ስዋሬዝ’ውን ብዘይ ምግናን ሓጎሱ ገሊጹ። ክልቲአን ጋንታታት ናብ ፍጹም ቅላዕ ኣትየን፡ ዩራጋይ ድማ 4 ብ 2 ተዓዊታ። ናይ ስዋሬዝ \"ኢድ ኣምላኽ\" ክሳብ ሕጂ ሓደ ካብቶም ተዘካሪ ህሞታት ዋንጫ ዓለም እዩ። ክልቲአን ጋንታታት ሎሚ ዓርቢ ዳግማይ ተራኺበን። ጋና ሕነ ንምፍዳይ ድሕሪ 12 ዓመት ዝረኸበቶ ዕድል እዩ ነይሩ። ብዛዕባ ስዋሬዝ ድማተወሳኺ ሕቶታት ኣለዓዒሉ እዩ። እዚ ኣብ ምድብ 8 (H) ወሳኒ ጸወታ ኮይኑ፡ ጋና ኣብ ልዕሊ ዩራጋይ እንተተዓዊታ ናብ ቀጻሊ ዙር ክትሓልፍ ትጽቢት'ዩ ተገይሩላ ነይሩ። ናብዚ ናይ ሎሚ ጸወታ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ኣብ ኣእምሮ ጋናን ደገፍቶምን ግን ሓንቲ ቓል'ያ ነይራ \"ሕነ. . .ሕነ. . .\" ጂያን፡ \"እቲ ዕጫ ምስ ተገብረ፡ ኣብ ኣእምሮ ሰባት ዝመጸ ሕነ ምፍዳይ ጥራይ'ዩ ነይሩ። ጋና ሕነ ክትፈዲ እያ እትደሊ፡ ድርኺት'ዩ\" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። \"ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሰባት እንታይ ከም ዘጋጠመ ይፈልጡ እዮም። ሓሊፉ'ዩ፡ ኣነ ግን ሰብ'የ ኣብ ኣእምሮይ'ዩ ዘሎ።\" \"ደቡብ ኮርያ፡ ፖርቱጋልን ዩራጋይን ኣለዋ - ንጋና ድማ እቲ ኣገዳሲ ጸወታ ኣንጻር ኡራጋይ'ዩ። ንሕነ ምፍዳይ፡ ንሕነ ምፍዳይ፡ ንሕነ ምፍዳይ ምኻድ ኣብ ኣእምሮ ኩሉ ሰብ'ዩ ዘሎ።\" \"ዕላማና ናብ ዝቕጽል ዙር ምሕላፍ'ዩ። ዩራጋይ፡ ዩራጋይ፡ ዩራጋይ ኢልና ክንሓስብ እንተኾይንና ጌጋ ክኸውን'ዩ። ክንሓልፍ ኣለና፡ እቲ ኣገዳሲ ነገር እዚ'ዩ።\" ድሕሪ ዋንጫ ዓለም 2010 ብናይ ሽዑ ክብረወሰን ክለብ 13 ሚልዮን ፓውንድ ዝውውር ምስ ሳንደርላንድ ዝተጸንበረ ጂያን፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሰለስተ ሸቶታት ኣመዝጊቡ እዩ። ጋናምስ ዩራጋይ ዘካየደቶ መሳጢ ርብዒ ፍጻመ ማዕረ ተፈላልያ። ስዋሬዝ፡ ዶሚኒክ ኣድያሕ ኣብ መስመር ንዝሃረማ ብኢዱ ብግልጺ ዓጊቱ ብቕጽበት ካብ ሜዳ ተባሪሩ - ጂያን ግንነቲ ፍጹም ቅላዕካብ ክጥቀመሉ ኣይከኣለን። እቲ ግጥም ናብ ፍጹም ቅላዕ ኣትዩ ጂያን ንፈለማ ፍጹም ፍጹም ቅላዕ ጋና ከመዝግብ ከሎ፡ ኡራጋይ ግን 4 ብ 2 ተዓዊታ። \"ኣብ ቀዳማይ ጸወታ ኣንጻር ሰርብያ ኣዝያ ወሳኒት ፍጹም ቅላዕ ኣመዝጊበ፡ ኣንጻር ኣውስትራልያ'ውን ፍጹም ቅላዕ ኣመዝጊበ\" ክብል ሕጂ ወዲ 36 ዓመትን ክለብ ዘይብሉን ጂያን ይዝክር። \"ኣንጻር ኣሜሪካ ኣብ ተወሳኺ ግዜ ሸቶ ኣመዝጊበ ስለዚ ደረጃ ርእሰ ተኣማንነት ክንድኡ ልዑል'ዩ ነይሩ። ኣንጻር ዩራጋይ ፍጹም ቅላዕ ኣብ ዝረኸብናሉ እዋን፡ ዋላ'ኳ ጸቕጢ እንተነበረ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎ ተጻዋታይ እየ ነይረ።\" \"ደጊመ ምውቃዕ ጥራይ እዩ ዘድልየኒ ነይሩ። ብቕንዕና ክዛረብ እንተኾይነ፡ ፍጹም ቅላዐይ ክሳብ ክንድኡ ንላዕሊ ስለዘይከይድ በቃ ካብተን ሕማቕ መዓልታት ሓንቲ እያ እየ ዝብል።\" \"እታ ፍጹም ቅላዕ ከመይ ጌራ ንላዕሊ ኢላ ከም ዝኸደት ኣይፈለጥን። ቴክኒካዊ ጌጋ ወይ ገለ'ዩ ነይሩ ይመስለኒ።\" \"ናብ ፍጹም ቅላዕ ምስ ኣተና ንገዛእ ርእሰይ ዳግማይ ከረጋግጽ ደልየ ነይረ። ናብ ዝነበርክዎ ክምለስ ነይሩኒ፡ ሸቶድማ ኣመዝጊበ - ተመሊስካ ንነብስኻ ከተረጋግጽ ኣለካ።\" ሕጂ ወዲ 35 ዓመት ስዋሬዝ ኣብ ዋንጫ ዓለም የራጋይ ዝሳተፍዘሎ ኮይኑ፡ ድሕሪ 12 ዓመታት ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ጋና ዝጽላእ ሰብ እዩ። ጋናዊት ጋዜጠኛ ፈነወ ስፖርት ጁልየት ባውዋህ፡ \"ክሳብ ሕጂ ንስዋሬዝ ይቕረክብለሉ ፍቓደኛ ዝኾነ ጋናዊ ደጋፊ ኩዕሶ እግሪ ኣይረኸብኩን\" ኢላ። \"ብዙሓት ሰባት ጋና ንዩራጋይ እንተትስዕራ ነታ ዋንጫ ዓለም ክትዕወትን ንኣፍሪቃውያን ንዓመታት ዘሐብንን ክኸውን ምኸኣለ ኢሎም ይሓስቡ። \"ስዋሬዝ ምስ ሊቨርፑል ኣብ ዝጻወተሉ ዝነበረ እዋን፡ ዝኾነ ነገር እንተ ኣጋጢምዎ፡ ብጫ ካርድ እንተተዋሂብዎ፡ ብቀይሕ እንተተባሪሩ፡ ብኤፍ.ኤ እንተተቐጺዑ፡ ሽዑ ሰባት ሕጉሳት ነይሮም። ስሙ ክሰምዕ ዝደሊ ሰብ የለን።\" ስዋሬዝ ብሓደ ጋናዊ ጋዜጠኛ፡ ገለ ኣብታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ከም \"ባዕሉ ድያብሎስ\" ከም ዝቖጽርዎ እኳ እንተተነግሮ፡ ንሱ ግን ኣይተነስሐን። \"ብዛዕባኡ ይቕሬታ ኣይሓትትን\" ኢሉ። \"ንሓደ ተጻዋታይ እንተጎዲአ ይቕሬታ ይሓትት ግን ንኹዕሶ ብኢደይ ምሓዘይ ቀይሕ ካርድ ተዋሂበ እየ።\" \"ፍጹም ቅላዕ ስለዘይሰሓትኩ ናተይ ጌጋ ኣይነበረን።\" እዛ ሕጂ ዘላ ጋንታ ጋና ግን ኣብ ልዕሊ ስዋሬዝን ዩራጋይን ሕነ ንምፍዳይ ዝዝረብ ዝነበረ ምዝራብ ከተቃልል ትጽዕር ኣላ፡ ሓለቓ ጋንታ ኣንድሬ ኣየው - ካብታ ኣብ 2010 ዝተረፈ እንኮ ተጻዋታይ - ነቲ ፍጻመ ረሲዑ ህይወቱ ክቕጽል ከም ዝደሊ ይገልጽ። \"ኩሉ ሰብ ሕማቕ ተሰሚዕዎ [ኣብ 2010] ንዓይ ግን ናብ ዝቕጽል መድረኽ ክበጽሕ ጥራይ እየ ዝደሊ\" ኢሉ። \"ሕነ ንምፍዳይ ይኹን ኣይኹን፡ ብተመሳሳሊ ቆራጽነትን ድሌትን ንምዕዋት ክንጻወት ኢና።\" \"ንድሕሪት ኣይጥምትን፡ ኣብ ዝሓለፈ ከድህብ ኣይደልን እየ\" ይብል።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cqv40ddj700o"} {"headline":"ብሓዘንን ሓበንን ካብ ዋንጫ ዓለም ዝተሰናበተት ሞሮኮ","content":"ሞሮኮ ናብ ናይ ጽዋዕ ጸወታ ዋንጫ ዓለም ዝበጽሐት ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ንምዃን ዝነበራ ሕልሚ፡ ትማሊ ብፍረንሳ ብዝበጸሓ ናይ 2 ን 0 ስዕረት በርዒኑ። ኣብ ሞሮኮ፡ ኣውሮጳን ኳታርን ተኣኪቦም ነቲ ጸወታ ዝከታተሉ ዝነበሩ ደገፍቲ፡ ነቶም ባዕዳውያን ገዛእቶም ዝነበሩ ክስዕሩዎም ተስፋ ገይሮም ነይሮም። ኮይኑ ግና ቲዮ ሀርናንደዝን ኪልያን ምባፐን ዘቑጸሩወን ሸቶታት ጉዕዞ ሞሮኮ ገቲአን። ቢቢሲ ኣብ ካዛብላንካ ዘዘራረቦ ደጋፊ “ተሳዒርና፤ ግን ድማ ሕቡናት ኢና” ኢሉ። ፈረንሳ መበቆል ሞሮኮ ዘለዎም ኣሻሓት ሰባት ዝነብሩላ ኮይና፡ ኣብ ማእከላይ ፓሪስ ከቢድ ናይ ፖሊስ ሓለዋ ነይሩ። ደገፍቲ ናይ ሞሮኮ ሓዊሱ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ባንዴራ ከንበልብሉ እውን ተራእዮም። ኣብ ዝሓለፉ ጸወታታት ደገፍቲ ሞሮኮ ርችታት እናተኮሱ ከጸንብሉ ኣብ ዝተርኣዩለን ከም ብራስለስ ዝኣመሰላ ከተማታት ኣውሮጳ እውን ኣባላት ኣድማ ብተና ፖሊስ ክዛውኑ ተራእዮም። ኣብ ኔዘርላንዳዊት ዘ ሄግ ዝነበረ ከቢድ ኩነታት ኣየር ምስ ስዕረት ሞሮኮ ተደሚሩ ደገፍቲ ድሕሪ እቲ ጸወታ ክዝሕሉ ገይሩዎም። ደች-ሞሮካውያን ድሕሪ እቲ ጸወታ ርችታት ዝወልዑ ኮይኖም፡ ሰላም ናይታ ከተማ ክሕልዉ ከምዝፈተኑ ንቢቢሲ ተዛሪቦም። ቢቢሲ ኣብ ካዛብላንካ ኣብ ዝርከብ ስታድዮም መሓመድ ሓምሻይ፡ ዘዘራረቦ ሓደ ደጋፊ ግና እቲ ውጽኢት ጽቡቕ ከምዝኾነ ተዛሪቡ። ብዙሓት እቲ ሃገራዊት ጋንተኦም ኣብቲ ኣብ ቀጠር ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም ዘመዝገበቶ ውጽኢት ተስፋ መጻኢ ኩዕሶ እግሪ ሃገሮም ዘመላኽት ከምዝኾነ ይኣምኑ። ኣብ ማድሪድ ኣብ ዝርከብ ማእከል ባህሊ ካዛ ኣራበ ኣብ ዝተተኸሉ ዓበይቲ ኬንዳታት እውን ብዙሓት ደገፍቲ ሞሮኮ ተኣኪቦም ነቲ ጸወታ ብቴሌቪዥን ተኸታቲሎም። ኢናስ ዝተባህለት ደጋፊት “እቲ ዝኾነ ብዘየገድስ፡ ብጋንታና ሕጉስቲ እየ” ኢላ። “ካብ ኩዕሶ ንላዕሊ እዮም ኣርእዮም፤ ብብዙሕ መንገዲ እንኾርዓሉ ዓወት፣ ዓለም ለኻዊ ኣቓልቦን ክብርን ሂቦምና።” “እዚ ኣብ ህይወት ሓደ ግዘ ዘጋጥም ተርእዮ እዩ” ዝበለ ካልእ ደጋፊ ድማ “ ደቅና እኳ ደጊሞም ዝርእይዎ ኣይኮነን፤ ንዓና ኩሉ ነገር እዩ” ኢሉ። ሓያል ቁሪ ኣብ ዘለዎ ከባቢ ለንደን ኮቦርታ ተኸዲኖም፣ ሻሂ እናሰተዩን ሽሻ እናትከኹን ነቲ ጸወታ ዝተኸታተሉ ሞርካውያን እውን እታ ናይ መወዳእታ ፊስካ ምስተነፈሐት ብጣቕዒት ነቲ ሃገራዊት ጋንተኦም ዝመጸቶ ጉዕዞ ናአደኦምን ታሕጓሶምን ገሊጾም። ቱኒዝያውን፣ ኣልጀርያውያንን ግብጻውያእንን እውን ምስ ደገፍቲ ሞሮኮ ኮይኖም ነቲ ጸወታ ተኸታቲሎምዎ።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ceq2jg15128o"} {"headline":"ኣርባዕተ ሃገራት ላቲን፡ ዋንጫ ዓለም 2030 ብሓባር ከአንግዳ ሓቲተን","content":"ሃገራት ኣርጀንቲና፡ ቺለ፡ ኢራጓይን ፓራጓይን ንዋንጫ ዓለም 2030 ብሓባር ኰይነን ከአንግዳ ወግዓዊ ሕቶ ኣቕሪበን። ዋንጫ ዓለም ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 1930 ኣብ ዝተጀመረሉ ኣብ ኡራጓይ’ዩ ተኻይዱ ነይሩ። እቲ ኣብ 2030 መበል 100 ዓመቱ ዘቝጽር ዋንጫ ዓለም ኣብቲ ዝተጀመረሉ ኣህጕር ንኸምጽኣኦ ብምሕላን እየን እዘን ሃገራት ሓባራዊ ሕቶ ኣቕሪበን ዘለዋ። ፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ደቡብ ኣሜሪካ ኣሌሃንድሮ ዶሙኒገዝ “እዚ ሕልሚ ናይዛ ኣህጕርና’ዩ” ኢሉ። ብኻልእ ወገን፡ ስጳኛን ፖርቱጋልን’ውን ንዋንጫ ኣለም 2030 ብሓባር ኰይነ ከአንግዳኦ ተመሳሳሊ ሕቶ ኣቕሪበን ኣለዋ። ኣብቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኡራጓይ ኣብ 1930 ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም፡ ኣአንጋዲት ሃገር ኡራጓይ ኣብ ስታድዮም መንተቪድዮ ሰንትናርዮ ንዝተኻየደ ናይ ዋንጫ ጸወታ፡ ንኣርጀንቲን ብምስዓር ቀዳመይቲ ተዓዋቲት ዋንጫ ዓለም ምዃና ይፍለጥ። ፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ደቡብ ኣሜሪካ ኣሌሃንድሮ ዶሙኒገዝ፡ ዋንጫ ዓለም 2030 ናይ ምእንጋድ ሕቶ እዘን ሃገራት ኣመልኪቱ ጋዜጣዊ መግልጺ ዝሃበ፡ ኣብቲ ኣብ 1930 መዛዘሚ ዋንጫ ዓለም ዘአንገደ ታሪኻዊ ስታድዮም መንተቪድዮ ኰይኑ እዩ። ንሱ “ብሕጂ ዋንጫ ዓለም ብዙሕ ግዜ ክካየድ’ዩ፡ እንተዀነ ዋንጫ ዓለም መበል 100 ዓመቱ ሓንሳብ ጥራይ’ዩ ክጽንብል፡ እዚ ኸኣ ኣብቲ ቤቱ፡ ኣብቲ ዝፈለመሉ ኣህጕር’ዩ ክኸውን ዘለዎ፡” ኢሉ። ካብተን ን2030 ዋንጫ ዓለም ብሓባር ኰይነን ከአንግዳ ሕቶ ኣቕሪበን ዘለዋ ሃገራት፡ ቺለ ኣብ 1962፡ ኣርጀንቲና ኸኣ ኣብ 1978 ንዋንጫ ዓለም ኣአንጊደን ምንባረን ዝዝከር’ዩ። ፕረዚደንት ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ኡራጓይ ኢናቾ ኣሎንሶ “ዋንጫ ዓለም ኣብቲ ቅድሚ 100 ዓመት ዝጀመረሉ ዳግማይ ክካየድን መበል 100 ዓመቱ ክጽንብልን ኣዝዩ ቅኑዕን ግቡእን’ዩ” ኢሉ። ዋንጫ ዓለም 2022 ካብ 21 ሕዳር ክሳብ 18 ታሕሳስ ኣብ ቐጠር ክካየድ እዩ፤ እተን ኣብቲ ውድድር ዝሳተፋ 32 ሃገራት’ውን ድሮ ምድባተን ፈሊጠን ኣለዋ። ኣብ 2026 ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ሃገራት ካናዳ፡ ሜክሲኮን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪን ብሓባር ኰይነን ከአንግድኦ’የን። ፊፋ ነቲ ብዝተፈላለያ ሃገራት ንዋንጫ ዓለም 2030 ንምእንጋድ ዝቐርብ ዘሎ ሕቶ፡ ኣብ 2024’ዩ ውሳነ ክህበሉ። ፊፋ፡ ኣርጀንቲና፡ ቺለ፡ ኡራጓይን ፓራጓይን ብሓባር ዋንጨ ዓለም ንኸአንግዳ ዘቕረባኦ ሕቶ እንተተቐቢልዎ፡ ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም፡ ኣርባዕተ ሃገራት ብሓባር ንዋንጫ ዓለም ከአንግዳ ናይ መጀመርታ ክኸውን'ዩ። ዋንጫ ዓለም ኣብ 2002 ሃገራት ጃፓንን ደቡብ ኮርያን ብሓባር ከአንግዳኦ እንከለዋ ኣብ ታሪኹ ኣብ ክልተ ሃገራት ክእንገድ ንመጀመርታ ግዜ ምንባሩ ይዝከር።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c0v49yjl4xgo"} {"headline":"ሓለቓ ጋንታ ኣርሰናል ነበር ፓትሪክ ቪየራ ኣሰልጣኒ ክሪስታል ፖላስ ብምዃን ተመዚዙ","content":"ጋንታ ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ ዝኾነት ክሪስታል ፓላስ ንሓለቓ ጋንታ ኣርሰናል ነበር ፓትሪክ ቪየራ ብኣሰልጣንነት ከምዝመዘዘት ኣፍሊጣ። ቪየራ ንሮይ ሃድሰን ብምትካእ’ዩ ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ኮይኑ ዘሎ። ሮይ ሃድሰን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት’ዩ ነታ ጋንታ ክለቕቕ ምዃኑ ወግዓዊ ዝገበረ። ቪየራ ነታ ጋንታ ብኣሰልጣንነት ንኽሕዛ ድማ ሰፊሕ ዘተ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ። ወዲ 45 ዓመት ፈረንሳዊ ምስታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መበል 14 ደረጃ ብምሓዝ ውድድራ ዝዛዘመት ክሪስታል ፓላስ ንሰለስተ ዓመታት ዘጽንሖ ውዕሊ ተፈራሪሙ’ሎ። ቪየራ “ነዚ ዕድል ረኺበ ናብ ፕሪምየርሊግ ክምለስ ብምኽኣለይ ኣዝየ ሕጉስ’የ” ክብል ተዛሪቡ። “ነዓይ ዓብዪ ቦታ ዝህቦ ፕሮጀክት እዩ። እታ ጋንታ ሰሓባይ መሰረት ኣለዋ። ኣብ ፕሪምየርሊግ እውን ንነዊሕ ዓመታት ዝቐጸለት’ያ። ነዚ መሰረት ብምግባር ናብ ዝሓሸ ደረጃ ከምእንወስዳ ተስፋ ኣለዊ” ኢሉ። ቪየራ ካብ ኣሰልጣንነት ፈረንሳዊት ጋንታ ኒስ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ከምዝተሰናበተ ይዝከር። ቅድሚኡ ድማ ኣብ ሱፐርሊግ ኣሜሪካ ንእትሳተፍ ጋንታ ኒውዮርኪ ሲቲ ንኽልተ ዓመትን ፈረቓን ብኣሰልጣንነት ኣገልጊሉ ነይሩ። ንሱ ናይ ኣሰልጣንነት ሞይኡ ኣብ ኣካዳሚ ኩዕሶ እግሪ ማንቸስተር ሲቲ ዝጀመረ ኮይኑ ካብ ተጻዋትነት ክወጽእ ከሎ ድማ ሲቲ ናይ መወዳእታ ጋንትኡ ነይራ። ምስ ፈረንሳዊት ጋንታ ኒስ ኣብ ዘሕለፎ ጊዜ ኣብ ቀዳማይ ዓመት ብ7ይ ደረጃ ከምኡ’ውን ኣብ ካልኣይ ዓመት 5ይ ደረጃ ብምሓዝ ክዛዝም ኪኢሉ። ኣሰልጣኒ ጋንታ ቦርሲያዶርትመንድ ሉሲየር ፋቭሬ ንጋንታ ክርስታል ፓላስ ብኣሰልጣንነት ክርከባ ትጽቢት ተገይሩ’ኳ እንተነበረ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ዘተ ነቲ ዕድል ስራሕ ከይተቐበሎ ምትራፉ ይግለጽ። ፈረንሳዊ ፓትሪክ ቪየራ ካብ 1996 ክሳብ 2005 ምስ ኣርሰናል ኣብ ዝነበረሎም ዓመታት 9 ዋንጫታት ከልዕል በቒዑ’ዩ። ምስ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳይ እውን ዋንጫታት ዓለምን ኣውሮጳን ዝዓተረ ኮይኑ ምስ ጣልያናዊት ጋንታ ኢንተር ሚላን እውን ሰለስተ ዋንጫታት ሴሪ ኤ ረኺቡ። ቪየራ ብ2010 ናብ ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ከምዝተጸምበረን ምስታ ጋንታ ዋንጫ ‘ኤፍ ኤ ካፕ’ ምስዓተረ ካብ ተጻዋትነት ብወግዒ ምውጽኡ ይዝከር።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57718687"} {"headline":"ሃገራዊት ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ መዘንኣ ጅቡቲ ተዓዊታ","content":"ሃገራውያን ጋንታታት ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት ኤርትራን ጅቡትን ትማሊ ኣብ ኢትዮጵያ: ስታድዮም ኣበበ ቢቂላ ኣብ ዝገበረኦ ቀዳማይ እግሪ መጻረዪ ዋንጫ ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት ኤርትራ 3 ብ 1 ተዓዊታ። ኣብቲ ኣብ ሃገረ ኮስታሪካ ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት: ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ ተዋሂብወን ዘሎ ክልተ ኮታ ንምምላእ ግጥማት መጻረዪ ጀሚረን ኣለዋ። ሓደ ካብዚ ግጥም ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራን ጅቡትን ኮይኑ ፊፋ ብዝሃቦ ውሳነ መሰረት ኣብ ሳልሰይቲ ሃገረ ኢትዮጵያ እዩ ተኻይዱ። ኣብቲ ትማሊ ሰዓት ኣርባዕተ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ዝተኻየደ ቀዳማይ እግሪ ጸወታ እዘን ሃገራውያን ጋንታታት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ላዕለዋይ ኢድ ሒዛ'ያ ወጺኣ። ብኣጥቃዕቲ ዲያና ኢስቲፋኖስን ደሊና ሳህለን ዝምራሕ መስመር መጥቃዕቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብ ምጅማር ጸወታ'የን ክልቲኤን ኣጥቃዕቲ ንመስመር ምክልኻል ጅቡቲ ክስንጥቃ ጀሚረን። ከም መርኣይዩ ደሊና ሳህለ ኣብ መበል 13 ደቒቕ እቲ ጸወታ ሸቶ ከተቁጽር ክኢላ። ቀዳማይ እብሪ ጸወታ ተዛዚሙ ኣብ ተወሳኺ ሰዓት'ውን ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንዝረኸበታ ቅላዕ መቅጻዕቲ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ራህዋ ነጋ ካብ ርሑቕ ዝቀልዓታ ቅላዕ ንሓላዊት ልዳት ጅቡቲ ሓሊፋ ሽቶ ተቖጺራ ቀዳማይ ፍርቂ ሰዓት ብመሪሕነት ሃገራዊት ጋንታ ኤርተራ 2 ብ 0 ተዛዚሙ። ኣብ መጀመርታ ደቃይቕ ናይ ካልኣይ እብረ ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሓያለ ንሸቶ ዝኾና ዕድላት እኳ ይፈጥራ እንተነበራ ሸቶ ከቁጽራ ግን ኣይክኣላን፡ ብኣንጻሩ ኣብ መበል 63 ሰደቒ ተጻዋቲት ሃገራዊት ጋንታ ጅቡቲ ሌርማን ጽብቅቲ ሸቶ ከተመዝግብ ብምኽኣላ ጸወታ 2 ብ 1 ኮይኑ። ድሕሪ ቅሩብ ደቃይቕ ግን ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብመንግዲ ደሊና ሳህለ ካብ የማናይ ሸነኽ ካብ ርሑቅ ዝቐልዓታ ኩዕሶ ናብ መርበብ ስለዝተነጸንበረት ጸወታ ተወሳኺ ሸቶ ከይትራእዮ ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ 3 ብ 1 ተዛዚሙ። ኣብል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ደሊና ደህለ ኸኣ ክልተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ደሚቓ ውዒላ። ክልቲኤን ሃገራውያን ጋንታታት ካልኣይ እግሪ ምጽራይ ዋንጫ ዓለም ረቡዕ 18 ነሓሰ 2021 ኣብ ተመሳሳሊ ሜዳ ጸወታ ከካይዳ እየን። ዝተረፈት ጋንታ ብቐጥታ ክትግለፍ እንከላ ዝሓለፈት ኸኣ ምስ ካልእ ሃገራዊት ጋንታ ዳግማይ ምጽራይ ከተካይድ እያ። ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት ኣብ 2020 ክካየድ እኳ እንተነበሮ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እዩ ናብ 2022 ተናዊሑ።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58227661"} {"headline":"ኣሰልጣኒ ኩዕሶ እግሪ ርያን ጊግስ ብመጥቃዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ተኸሲሱ","content":"ናይ ቀደም ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ጋንታ ምንችስተር ዩናይትድን ናይ ሎሚ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ዌልስን ዝኾነ ርያን ጊግስ ንኽልተ ደቂ ኣንስትዮ ኣጥቂዕኻ ብዝብል ክሲ ቀሪብሉ። ጊግስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ክሊ ዕድመ 20ን 30ን ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ መጥቃዕቲ ፈጺምካለን ብዝብል እዩ ተኸሲሱ። መጻኢ ሮብዕ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ማንቹስተር ዩናይትድን ሳልፎርድን ንኽቐርብ ከኣ ዋሕስ ኣትሒዙ’ሎ። ወዲ 47 ዓመት ጊጊስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን በቲ ዝቐረበሉ ክሲ ገበነኛ ከምዘይኮነ ተዛሪቡ። “ንሕጊ ምሉእ ክብሪ ኣለኒ። እቶም ተኸሲሰሎም ዘለኹ ገበናት’ውን ረዘንቲ ከምዝኾኑ ተረዲኤ’የ” ዝበለ ጊግስ ሽሙ ንምንጻህ ድልዊ ከምዝኾነ ሓቢሩ። ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ዎርስሊ ብዝተፈጠረ ዕግርግር ፖሊስ መጸዋዕታ ከምዝተገበረሉን ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ህወከት ድማ ሓንቲ ኣብ ክሊ ዕድመ 30 እትርከብ ጓል ኣነስተይቲ ጉድኣት በጺሕዋ ናብ ሕክምና ተወሲዳ ከምዝድሓነት ፖሊስ ዘ ግሬትማንቹስተር ሓቢሩ። ጊግስ ካብ ወርሒ ታሕሳስ 2017 ክሳብ ሕዳር 2020 ኣቆጻጽራ ኣውሮፓውያን ናይ ኣስገዳድ ባህሪ ብምርኣዩ ተኸሲሱ ነይሩ። ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዌልስ ኣብ ዋንጫ ኣውሮፓ ንሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ዌልስ ዝመርሕ ሓጋዚ ኣሰልጣኒ ናይታ ጋንታ ኮይኑ ዝሰርሕ ሮበርት ፔጅ ከምዝኾነ ተፈሊጡ። እቲ ናይ ጊግስ ክሲ ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕበር ኮነ እታ ሃገራዊት ጋንታ ብዛዕባ ክህልዎ ዝኽእል ጸቕጢ ንምዝርራብ ናይ ቦርድ ኣኼባ ከምዝህሉ እቲ ማሕበር ኣፍሊጡ። ጊግስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ንሮበርት ፔጅ፣ ኣሰልጠንትን ደገፍትን ሃገራዊት ጋንታ ዌልስ ብዓወት ንኽዛዘሙ ሰናይ ትምኒተይ’ዩ” ኢሉ። ንኣስታት 24 ዓመታት ኩዕሶ እግሪ ዝተጻወተ ርያን ጊግስ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ዌልስ 64 ግዜ ተሰሊፉ ተጻዊቱ’ዩ።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56871894"} {"headline":"ኔይማር ብብልሽውና ተኸሲሱ ናብ ቤት-ፍርዲ ክቐርብ እዩ","content":"ስሙይ ብራዚላዊ ተፃዋቲ ኵዕሶ እግሪ ኔይማር ጁኒየር፡ ምስ ዝውውር ብዝዛመድ ብምትላል ተኸሲሱ ናብ ቤት-ፍርዲ ከምዝቐርብ ተገሊፁ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ንፈረንሳዊ ጋንታ ፓሪ ሴን ዠርመን (ፒኤስጂ) ዝፃወት ኔይማር፡ ንዓመታት ኣብ ዝቐፀለ ከይዲ ቤት-ፍርዲ፡ ክሲ ብልሽውናን ምትላልን ቀሪብሉ ኣሎ። ጉዳይ ኔይማር ድማ፡ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ጥቅምቲ ፀዋታ ዋንጫ ዓለም ኣብ ኳታር ቅድሚ ምክያዱ ኣብ ቤት-ፍርዲ ክረኣይ እዩ። ካብ ኔይማር ብተወሳኺ ካልኦት ሰባት እውን ናብ ቤት-ፍርዲ ክቐርቡ ትፅቢት ይግበር። ቅድሚ ሕዚ ፕረዚደንታት ጋንታ ባርሴሎና ዝነበሩ ጆሴፍ ማሪያ ባርቶሙን ሳንድሮ ሮሴልን፡ ከምኡ እውን ወለዲ ኔይማር ብተመሳሳሊ ክሲ ናብ ቤት-ፍርዲ ከምዝቐርቡ፡ መራኸብቲ ሓፋሽ ስፔን ፀብፂበን። ኣብዚ ክሲ ስሞም ዝተልዓሉ ውልቀሰባት ኩሎም ነቲ ዝቐረበሎም ክሲ ከምዘይወዓልዎ እዮም ዝገልፁ። ነዚ ክሲ ዝኸፈተ ትካል፡ ቅድሚ ዓመታት ኔይማር ካብ ብራዚላዊ ጋንታ ሳንቶስ ክዘዋወር እንከሎ 40 ሚእታዊ ገንዘብ ይግበኣኒ ኢሉ። ኔይማር ዝተዘዋወረሉ መጠን ገንዘብ ወግዓዊ ከይኸውን ስለዝተገበረ፡ እቲ ከሳሲ ትካል ክረኽቦ ካብ ዝግባእ ገንዘብ ውሑድ ከምዝተቐበለ ገሊፁ። ናይቲ ብልዑል ገንዘብ ከምዝዘዋወር ዝዝረበሉ ኔይማር፡ መጠን ዝተዘዋወረሉ ገንዘብ  ብሕጋዊ ምስሕሓባት ዝተኸበበ ምዃኑ እዩ ዝዝረብ። ንባርሴሎና ዝተሰናበተ ኔይማር ካብ ቤት-ፍርዲ ስምምዕ ወፃኢ ብ222 ሚልየን ዩሮ ናብ ፒኤስጂ ከምዝተፀንበረ ይፍለጥ። ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝነበረ ሞጎት ቤት-ፍርዲ፡ ባርሴሎና ንኔይማር ካብ ሳንቶስ ዘዘዋወረሉ ከይዲ ሕጋዊ መስርሓት ተጣሒሶም እዮም ብዝብል፡  ባርሴሎና 5.5 ሚልየን ዩሮ ክኸፍል ተበይንዎ ነይሩ።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4n902wr0dyo"} {"headline":"ቅድሚ ዋንጫ ዓለም ኣብ ዝካየድ ጸወታታት ፕሪሜር ሊግ ብዓል መን ክዕወታ’የን?","content":"ጸወታታት ፕሪሜርሊግ ዓዲ እንግሊዝን ካልእ ዓበይቲ ሊጋት ዓለምን፡ ብዙሓት ተጻወትቲ መምስ ሃገራውያን ጋንታታቶም ናብቲ ካብ 20 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ቐጠር ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ስለዝኸዱ ንሳምንታት ደው ክብል’ዩ። ነቲ ጽባሕ ቀዳምን ሰንበትን ዝካየድ ጸወታታት ፕሪሜርሊግ ኣመልኪቱ ተንታኒ ኵዕሶ እግሪ ዓዲ እንግሊዝ ክሪስ ሳተን ዝሃቦ ግምታት እዚ ዝስዕብ’ዩ። ተጻወትቲ ኣብ ድኻም ብምህላዎም፡ ቅድሚኡ ናብ ዋንጫ ዓለም ምኻዶም ዕረፍቲ ክረኽቡ’ዮም ዝደልዩ፡ ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ሲቱ ፔፕ ጓርድየላ ግን ቀዳምነት ንጋንትኡ ስለዝህብ፡ ንዋንጫ ዓለም ኢሉ ኣብ ናይ ጽባሕ ጸወታ ዘዕርፎ ተጻዋታይ ከምዘይህሉ’ዩ ዝገልጽ። ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ጸወታኣ ብ10 ተጻወተቲ ድሕሪ ክንደይ ሃልኪ ብዝረኸበታ ፍጹም ቅላዕ’ያ ሰለስተ ነጥቢ ክትከስብ ኪኢላ። እዚ ጽባሕ ተካይዶ ጸወታ ግን ብተዛማዲ ዝፈኾሰ’ዩ፡ ምኽንያቱ ብረንትፎርድ ኣብዚ ዓመት ካብ ሜድኣ ወጻኢ ዝኾነ ዓወት ኣየመዝገበትን። ግምት፡ 4 - 0 እዘን ክልተ ጋንታታት ኣብ መፋርቕ ናይዚ ሰሙን ኣብ ዝተራኻባሉ ንቐንዲ ተጻወትተን ኣየሰለፋን። ኣብቲ ጸወታ በርንማውዝ ስለዝሰዓረት ኣብ ልዕሊ ኣሰልጣኒ ኤቨርተን ፍራንክ ላምፓርድ ዓቢ ጸቕጢ’ዩ ፈጢሩ። እንተኾነ እቲ ጽባሕ ዘካይድኦ ጸወታ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዝተፈለየ ውጽኢት ከምዝምዝገቦ’ዩ ክሪስ ሳተን ግምቱ ኣቐሚጡ ዘሎ። ግምት፡ 1- 1 ኣሰልጣኒ ሳውዝሃምፕተን ናተራን ጂንስ፡ ናብ ሜዳ ሊቨርፔል፡ ኣንፊልደ፡ ከይዱ ጸወታ ከካይድ እዚ ናይ መጀመርትኡ’ዩ። ክሪስ ሳተን ብዛዕባ ናይ ሊቨርፑል ጸወታታት ኣብ ዝሃቦ ግምትታት፡ ብዙሕ ግዜ’ኳ እንተተጋገየ ምስ ተቶንሃም ንዘካየድዎ ጸወታ ግን ቅኑዕ ግምት’ዩ ሂብሉ ነይሩ። ግምት፡ 3- 0 ኖቲንግሃም ፎረስት ኣብ 14 ጸወታታት 10 ነጥቢ ጥራይ ብምውህላል ኣብ ጭራ ተሰሪዓ ዘላ ጋንታ ክትከውን እንከላ፡ ክሪስታል ፓላስ ብ19 ነጥቢ ዓስረይቲ ኮይና'ላ። ሳተን፡ ኖቲንግሃም ፎረስት ኣብ ጸወታታት ዋንጫ ካራባው ንቶተንሃም’ኳ ክስዕርዋ እንተኸኣሉ፡ ካብኡ ዝረኸብዎ ሞራል ግን ንክሪስታል ፓላስ ዘመክት ኣይኮነን ይብል። ግምት፡ 1- 2 ኣሰልጣኒ ቶተንሃም ኣብ ጸወታ ካራባው ብኖቲንግሃም ፎረስት ምስ ተሳዓረ፡ ተጻወትቱ ደኺሞም ምህላዎም ኣይሓበአን። ሊድስ ብወገኖም ኣብ ዝሓለፈ እዋን ካብ ሊቨርፑልን ካብ በርንማውዝን ሰሰለስተ ነጥቢ ክወስዱ ክኢሎም’ዮም። ክሪስ ሳተን፡ እቲ ጸወታ ሓያል ክኸውን ከምዝኽል ብምእማት፡ ብዓወት ቶተንሃም ከምዝዛዘም ግምቱ ሂቡ’ሎ። ግምት፡ 3 - 1 ሌስተር ሲቲ እታ በብቕሩብ እናተመሓየሸት ትኸይድ ዘላ ኮይና፡ ድልዱል ምክልኻል ሃኒጻ ዘላ ጋንታ’ያ። ብዘይካ’ዚ ሃርቪ ባርነስን ጀምስ ማዲሰንን’ውን ኣብ ጽቡቕ ቁመና’ዮም ዘለዉ። እታ ካብ ሌስተር ሲቲ ብማዕረ ነጥቢ ኣብ መበል 15 ደረጃ ትርከብ ዌስትሃም’ውን ንሌስተር ስለዘይትሰንፈላ ማዕረ ውጽኢት ከምዝምዝገብ ሳተን  ይግምት። ግምት፡ 1- 1 ቸልሲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣንጻር ኣርሰናል ኣብ ዘካየድዎ ጸወታ ጽቡቕ ውህደት ኣይነበሮምን። ኒውካስትል ይስዓሩ ኣይሰዓሩ ብዘየገድስ ትሕቲ ራብዓይ ደረጃ ስለዘይወርዱ ሓደ እፎይታ ዝህቦም’ዩ። እዚ ግጥም ብዙሕ ሸቶታት ዝምዝገቦ’ኳ እንተዘይኮነ ጽቡቕ ጸወታ ተራእይዎ ኒውካስል ከምዝስዕሩ ሳተን ተነብዩ'ሎ። ግምት፡ 1  0 ኣርሰናል ዝያዳ ኣብ ዋንጫ ፕሪሜርሊግ ኣቶኲራ ስለዘላ ኣብ ጸወታ ካራባውእ ክትግለፍ ተገዲዳ’ያ። ኣርሰናል ዘለዋ ህሉው ቁመና ኣብ ግምት ብምእታው ነዚ ጸወታ ብዘይስክፍታ ከምእትዕወት ክሪስ ሳተን ዘለዎ ይግምት ሂቡ'ሎ። ግምት፡ 0 - 2 እቲ ተንታኒ ኩዕሶ እግሪ ፕሪሜርሊግ ዓዲ-እንግሊዝ፡ ብዛዕባ'ቲ ድሕሪ ጽባሕ ሰንበት ዝካየድ ጸወታታት ዘለዎ ግምታት'ውን ሂቡ'ሎ። ሰንበት ኣርባዕተ ጋንታታት ዝተሳተፋሉ ክልተ ግጥማት'ዩ ክህሉ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓዲሽ ኣሰልጣኒ ሒዞም ንማንቸስተር ዩናይትድ ዝሰዓሩ ኣስቶን ቪላ ኣብ ሓዲድ ዓወት ክቕእጽሉ ዘይሕለል ህልኽ ከርእዩ’ዮም። ብራይተን’ውን ብተደጋጋሚ ዓወት ብምምዝጋብ 21 ነጥቢ ብምውህላል ንቸልስን ንሊቨርፑልን ብምብላጽ ኣብ ሻዱሻይ ደረጃ ተቐሚጣ ዘላ ጋንታ’ያ። በዚ ሒዘሞ ዘለዉ ብቕዓት ከኣ ክሳብ ሻዱሻይ ኣብ ዘሎ ደረጃ ሒዞም ጸወተኦም ክዛዝሙ ዘይግብኦም ኣይኮነን። ግምት፡ 2 - 1 ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ዩናይትድ ኤሪክ ቴን ሃግ ናብታ ጋንታ ምስ መጽአ ኣብ መጀመርታ ጽቡቕ ገስጋስ’ኳ እንተኣመዝገበ፡ ጸገም ናይታ ጋንታ ከምዘይፈትሖ ግን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኣስቶን ቪላ ድሕሪ ምስዓሩ ዝተረደኦ ይመስል። ንጋንትኡ ኣብዚ ብሰንኪ ዋንጫ ዓለም ዝህሉ ዕረፍቲ ከመዓራርያ ኸኣ  ትጽቢት ይግበረሉ። ፉልሃም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን በታ ብ10 ተጻወትቲ ዝገጠመቶም ማንቸስተር ሲቲ’ኳ ኣንተተሰዓሩ፡ እቲ ሽዕኡ ዘርኣይዎ ጸወታ ሰንበት እንተደጊመሞ ንማንቸስተር ዩናይትድ ዘይስዕርሉ ምኽንያት ኣይክህሉን’ዩ። ግምት፡ 2 - 1","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cp9r9xvn3edo"} {"headline":"ጎንጺ ካሜሩን፡ ሃገራዊት ጋንትኦም ክትስዓር ዝደልዩ ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ","content":"ኣብ ቀረባ ኣብ ካሜሩን ዝተኻየደ ጸወታ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ [ኣፍኮን] ሰባት ንኩዕሶ እግሪ ዘለዎም ፍቕሪ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ኣርእዩ'ዩ። እታ ሃገር ኣብ ቀጠር ንዝካየድ ዋንጫ ዓለም ምድላው ትገብር ኣብ ዘላትሉ እዋን ግን፡ ገለ ካሜሮናውያን ግን ሃገራዊት ጋንትኦም ክትሓልፍ ኣይደልዩን። ስፖርትን ፖለቲካን ክተሓዋወሱ ከም ዘይሎም ዝእመን እኳ እንተኾነ፡ ናብ ካሜሩን እንተመጽእ ግን ኩዕሶ እግሪ ክልቲኦም ኣዝዮም ዝተሓላለኹ እዮም። ኣብ ጸወታ ፍርቂ ፍጻመ ኣፍኮን ግብጺ ንካሜሩን ክትስዕራ እንከላ፡ ብዙሓት ሓዚኖም። ኣብታ ሃገር ማእከል ተዛረብቲ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ዞባታት ዝኾነት ባሜዳ ግን ነቲ ስዕረት ጸምቢላቶ። መብዛሕትኦም ስዕረት ሃገራዊት ጋንታ ካሜሩን ኣብ ገዝኦም ኮይኖም'ኳ እንተጸንበሉዎ ድምጺ ተቓውምኦም ግን ካብ ዕጽው ገዛ ሓሊፉ ናብ ብዙሓት ምብጽሑ ኣይተረፈን። ኣብ ከባቢ ባምቢሊ ዝስማዕ ዝነበረ ፋጻ፣ ጭርሖን ምርኢት ሞተር ሳይክልን ናይ መብዛሕትኦም ደቡብ ካሜሩናውያን ዘሎ ስምዒት ዘንጸባርቑ ኮይኖም እዚ ነታ ሃገራዊት ጋንታ ዘለዎም ንዕቀት ዝገልጽ እዩ። ዶክተር ንጋዋ ኢቦጎ ሓደ ካብቶም ንስዕረት ካሜሩን ኣብ ጸወታ ኣፍኮን ዝጸንበሉ'ዩ። ንሱ፡ ኣፍቃሪ ኩዕሶ እግሪ ስለ ዝኾነ ስፖርት ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ክህልዎ ብዛዕባ ዝኽእል ግደን ኣብ ጥዕና ተሓከምቲ ዘሕድሮ ጽልዋን ብዝግባእ ይርዳእ'ዩ። \"እዛ ሃገር፡ ንኣዝዮም ኣገደስቲ ዛዕባታት ኩዕሶ እግሪ ናይ ምጥቃም ዝንባለ ኣለዋ። ኩዕሶ እግሪ ናብ ሓደ ዘምጽእ ምዃኑ ስለ ዝፈልጡ ክኣ ንዕኡ ብዙሕ ገንዘብ እዮም ዘውጽኡ\" ይብል። እቲ ኣብ ባሜንዳ ዝተራእየ ቁጥዐ፡ ዋንጫ ዓለም ኣብ ዝካየደሉ ዓመት ብ1998'ውን ቅድሚ ሃገራዊት ጋንታ ካሜሩን ምስ ኦስትሪያ ምጽዋታ መብራህቲ ብምጥፍኡ ገለ ነበርቲ ንኣብያተ ጽሕፈት ሃገራዊ ኣገልግሎት ጸዓት ብሓዊ ኣቃጺሎም ነይሮም። ኣብቲ ሽዑ እዋን ምንቅስቓስ ተገንጸልቲ ካሜሩን ኣቐዲምካ ጥሮታ ምውጻእ ይደልዩ ብዝነበሩ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ይድገፉ ነይሮም። ዶክተር ኢቦጎ፡ ቅልውላው ደቡብ ካሜሩናውያን ክሳብ ዝልዓል ኣብ ዘሎ ግዜ [2016] ንሃገራዊት ጋንታ ካሜሩን ደጊፉ'ዩ። ሕጂ ካሜሩን ኣብ ስፖርት እትረኽቦም ዓወታት ምድጋፍ መንግስቲ ትኹረት ዜጋታት ንምቕያር ዝጥቀመሉ ስትራቴጂ ኮይኑ'ዩ ኢሉ ይኣምን። \"ዋላ'ውን እናተብኣስና ጋንታ ካሜሩን እንተስዒራ፡ እቲ ዘጋጭየና ነገር ኢና ንርስዖ። እዚ ብዝተጸንዐ መገዲ ንዓመታት ተጠቒሞምሉ'ዮም። ነፍሲ ወከፍ እታ ጋንታ እተምጽኦ ዓወት ግን ስቓይ እቲ ህዝቢ'ዩ ዘናውሖ\" ይብል። እታ ሃገራዊት ጋንታ፡ ምስሊ እቲ ን40 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝተኸየጠ ወዲ 89 ዓመት ፕሬዝደንት ፖል ቢያ ኣብ ምጉላሕ'ውን ናይ ባዕላ ተራ ትጻወት እያ። ሃገራዊት ጋንታ ካሜሩን ኣብቲ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ዝተኻየደ ጸወታ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዝተዓወተት ቑጽሪ፡ ፕሬዝደንት ቢያ መንእሰይ እንከሎ ንኣባላት እታ ሃገራዊት ጋንታ ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም ሰላምታ እናሃበት እተርኢ ፍልጥቲ ቪድዮ ብቴሌቪዥን ትዝርጋሕ ነይራ። ካብዚ ብምብጋስ፡ \"መብዛሕትኦም ካሜሩናውያን እታ ሃገራዊት ጋንታ ብምኽንያት እቲ ጠንካራ ሰብኣይ እያ ትዕወት ዘላ ኢሎም'ዮም ዝኣምኑ። እታ ጋንታ ዋንጫ ትወስድ፤ ሰባት ክኣ ነቲ ፕሬዝደንት ዘለዎም ድጋፍ ይሰድሉ\" ይብል ዶክተር ኢቦጎ። ኣብ ባሜንዳ ዘለው ሰባት ንመን እንታይ ዓይነት ርኢይቶ ይህቡ ኣለው ዝብል ኣዝዮም ጥንቁቓት'ዮም። ስለዚ እታ ሃገራዊት ጋንታ ክትስዓር እንከላ ቐጻሊ ዝኸብዶም ነገር እንተሃለወ ሓጎሶም ካብ ምግላጽ ምቑጣብ'ዩ። ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ካሜሩን ብኢንግሊዝን ፈረንሳን ተታሒዛ ስለ ዝነበረት ባህልን ቋንቋን እታ ሃገር ተኸፊሉ'ዩ። ድሕሪ ናጽነት፡ ተዛረብቲ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ዝኾኑ ፖለቲካን ቁጠባን እታ ሃገር ኣብ ኢድ ተዛረብቲ ቋንቋ ፈረንሳ ኮይኑ ብምባል ንዓሰርታት ዓመታት መድልዎ ይበጽሐና ኣሎ ክብሉ ጸኒሖም። እዚ ሕጂ፡ ናብ ቅሉዕ ምድላይ ናጽነት ዞባ ተዛረብቲ ኢንግሊዘኛ ዓብዪ ኣሎ። ኣብ ሞንጎ እዚ ብዘሎ ኲናት ክልቲኡ ወገን፡ ቀዳማይ ግዳይ ዝኾነት ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ እያ። ብ2016፡ ከም ኣአንጋዲት ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ ደቂ ኣንስትዮ ካሜሩን ኣንጻር ናይጄሪያ ተጻዊታ ዋንጫ ክትዓትር ትጽቢት ተገይሩላ ነይሩ። ዋላ'ውን እቲ ጸወታ ቅድሚ ምጅማሩ ቅድሚ ሰሙናት ተሓለቕቲ ደቡብ ካሜሩን ተኣሲሮም እንተነበሩ፡ ብ19 ሕዳር እቲ ጸዋታ ክጅመር እንከሎ ባራት ባሜንዳ ብደገፍቲ ሃገራዊት ጋንታ ካሜሩን መሊአን ነይረን። 3 ታሕሳስ ድማ ናይ መወዳእታ ጸወታ ነይሩ፤ እንተኾነ፡ እቲ ድባብ ብጽልኣትን ግሁድ ተቓውሞን'ዩ ተተኪኡ። እቲ፡ ንሰርታት ዓመታት ዝነበረ ድጋፍ ደቡብ ካሜሩናውያን ድማ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሜን ዓንዩ። መብዛሕትኦም ደቡብ ካሜሩናውያን ናብቲ ኣብዚ ዓመት ዝተኻየደ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ኣይመጽኡን። ኣብቲ ግዜ፡ መብዛሕትኦም ካብ ካሜሩን ወጻእ ዝኾነ ይኹን ዝብል መትከል ሒዞም ነይሮም። ዶክተር ኦቦጎ ናብዚ ጉጅለ ተጸንቢሩ ንተነሓናሕቲ ካሜሩን ይድግፍ ነይሩ። ፖለቲከኛታትን መንግስትን ናብቶም ጥርሖም ዝነበሩ ስታዲየማት ዕዱማት ንምእታው ናጻ ቲኬትን መጓዓዝያን ኣቕሪቦምሎም ከም ዝነበሩ ብምግላጽ \"ሰባት ናብ ባፉሳማ ንምግዓዝ ጠለብ ኣቕሪቦም ነይሮም፤ ግን ዋላ ሓደ ኣይከደሎምን\" ይብል። ግን ክኣ ኩሉ በዚ ኣይሰማማዕን። ክኢላ ሓይሊ ሰብ ስሚዝ ቡዋ፡ ንኩዕሶ እግሪ ዘለዎ ፍቕሪ ንፖለቲካዊ ድልየታቱ ከም ዝስዕሮ ይዛረብ። ካሜሩን ኣንጻር ጋንታታት ቡርኪናፋሶን ኢትዮጵያን ክትጻወት እንከላ ናብ ስታዲየም ብምኻድ ነቶም ግጥማት ተኸታቲሉን ድጋፉን ገሊጹን'ዩ። \"ኩዕሶ እግሪ ምስ ፖለቲካ ዝሓውሶ ነገር የብሉን። ዘለውና ጸገማት ብኻልእ መገዲ ክንፈትሖምአ ኢና፤ ንሰባት ዘሐጉሶም ነገር ግን ናብዚ ክኣቱ የብሉን\" ይብል። ወሲኹ፡ \"ብዙሓት ኣገደስቲ ጉዳያት ኣለውና'ዮም። ሆስፒታላት፣ ዝሓሹ ኣብያተ ትምህርቲ የድልየና'ዩ፤ ደሞዝ ኣይተኸፈለናን ኢሎም ተቓውሞ ዝገብሩ ዘለው መምሃራን ክንከፍል ንደሊ ኢና። ኩዕሶ እግሪ ግን ወትሩ ሰላም እዩ ዘምጽኣልና\" ኢሉ። ኣብ ስፖርት ምድጋፍ ውልቃዊ ምርጫን ኣብ ኣፈጻጽማ እታ ጋንታ ዝምርኮዝን ከም ዝኾነ ዝዛረብ ስሚዝ፡ ክልቲኦም ዞባታት ነታ ሃገራዊት ጋንታ ዘለዎም ድጋፍ ከም ዝፈላለ የረድእ። \"60 ሚኢታዊት ተዛረብቲ ኢንግሊዘኛ ኣብ እዋን ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ ነነታ ሃገራዊት ጋንታ ደጊፎምዋ'ዮም። ሰባት ቁጥዐ ኣለዎም፤ ግን ብውሽጥና ንሃገርና ነፍቅራ ኢና\" ኢሉ። ዶክተር ኢቦጎ፡ እቲ ካብ ከባቢኦም ዝወጽአ ጅግና ኩዕሶ እግሪ ዝኾነ ሳሚኤል ኤቶ ሓላፊ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ገይርካ ምሻም ጥራይ ነበርቲ ባሜንዳ ነታ ሃገራዊት ጋንታ ንምድጋፍ ቀልቦም ንምግዛእ እኹል ከም ዘይኮነ እዩ ዝዛረብ። ስለዚ፡ ኣብ ጸወታ ዋንጫ ዓለም ካሜሩን ንኣልጄሪያ ክትስዕራ ድያ? \"ክጽሊ'የ፤ ኣይደልን'ውን\"።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60871087"} {"headline":"ፕረዚደንት ላይቤርያ ዋንጫ ዓለም ክከታተል ናብ ቐጠር ዝሓሰቦ መገሻ ቁጠዐ ፈጢሩ","content":"ላይበርያውያን ነቲ ፕረዚደንት ሃገሮም ጆርጅ ዊሃ ዋንጫ ዓለም ንምክትታል ናብ ቐጠር ክገብሮ ዝሓሰቦ መገሻ ብቑጥዐ ይነቕፍዎ ኣለዉ። ፕረዚደንት ላይበርያ ጆርጅ ዊሃ ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ንምክትታል ኣብ ቀጠር ን9 መዓልታት ክጸንሕ መደብ ከም ዘለዎ ንኣባላት ሰነት ሓቢሩ’ሎ። እቲ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ነበር ፕረዚደንት፡ ዝሓለፈ ሰሙን እውን ንብዙሕ ናይ ወጻኢ መገሻታት ካብታ ሃገር ወጺኡ'ኳ እንተነበረ፡ ኵሉ መደባቱ ግን ኣይተገልጸን። ኣሜሪካዊ ዜግነት ዘለዎ ወዱ ጢሞቴዎስ ኣብቲ ካብ 20 ሕዳር 2022 ዝጅምር ግጥማት ዋንጫ ዓለም ንሃገራዊት ጋንታ ኣሜሪካ ብምውካል ክሳተፍ እዩ። ኣቦኡ ጆርጅ ዊሃ ምስ ኤሲ ሚላንን ቸልሲን ካልኦት ብሉጻት ጋንታታት ኤውሮጳ ከም ዝተጻወተ ይፍለጥ። እዚ ወዲ 56 ዓመት ተጻዋቲ ኩዕሶ ነበር ኣብ 2017'ዩ ፕረዚደንት ላይበርያ ኰይኑ ተመሪጹ። ኣብዚ እዋን፡ እቲ ፕረዚደንት ወዱ ዝሳተፈሉ ዋንጫ ዓለም ንምክትታትል ንመዓልታት ዝፀንሕ መደባት መገሻ ወግዓዊ ምግባሩ ንብዙሓት ላይበርያውያን ኣቘጢዕዎም ኣሎ። ገሊኦም ዜጋታት እታ ሃገር ናብ ቀጥታዊ ፈነወ ራድዮ እናኣተዉ ከምኡ ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንውሳነ መራሒኦም ብቑጠዐ ኣብ ምንቃፍ ይርከቡ። ኣብታ ሃገር ብዙሓት ሰባት ብቕልውላው መግቢ ኣብ ጸገም ኣብ ዝወደቑሉ እዋን፡ ከምኡ’ውን እቲ ፕረዚደንት ኣብዚ ቀረባ እዋን ንሻድሻይ ግዜ ዘናውሖ ኣዝዩ ዝተደናጐየ ቈጸራ ህዝቢ መዓስ ከም ዝካየድ ከይተነጸረ፡ ዋንጫ ዓለም ክርኢ ኢሉ ናብ ቐጠር ክገይሽ ምውሳኑ'ዩ ንዜጋታት እታ ሃገር ኣቘጢዕዎም ዘሎ። ኣባላት ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ጆርጅ ዊሃ፡ ብዛዕባ ወጻኢታት ናይቲ ጕዕዞ ንዝቐረበሎም ሕቶታት'ኳ መልሲ እንተዘይሃቡ ንነቐፍቱ ግን ግብረ-መልሲ ሂቦም ኣለዉ። እቲ ፕረዚደንት ናብ ወጻኢ ሃገራት ዝገብሮ ምብጻሕ ንሃገር \"ዓቢ ረብሓ'ዩ\" ክብሉ ገሊጾም።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cqq6nqrqlk7o"} {"headline":"ኩዕሶ እግሪ፡ ኣፍሪቃ ዋንጫ ዓለም ኣብ ክልተ ዓመት ንኽካየድ ዝቐረበ ውጥን ከምእትድግፍ ኣፍሊጣ","content":"ኣፍሪቃ እቲ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ጊዜ ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ዋላ’ኳ ምስ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝጋጮ እንተኾነ በብክልተ ዓመት ንኽካየድ ዝቐረብ ዘሎ ሓሳብ ዘለዋ ደገፍ ገሊጻ። ፕረዚደንት ኮንፈደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ፓትሪስ ሞትሴፔ እቲ ንሱ ዝመርሖ ትካል ነቲ ሓድሽ ውጥን ከምዝድግፍ ሓቢሩ። “ላዕለዋይ ኣካል ካፍ ነቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ውሳነ ዘለዎ ደገፍ ይገልጽ” ኢሉ ብድሕሪ’ቲ ኣብ ሞሮኮ ዝተገበረ ኣኼባ ላዕለዎት ኮሚቴ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ። “ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ከቢድ ፋይናንሳዊ ጸገማት፣ ሕጽረት መሰረተ-ልምዓትን ቀረባትን ኣብ ግምት ብምእታው ዋንጫ ዓለም ኣብ ክልተ ዓመት ብምክያዱ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ተረባሒ ክኸውን ይኽእል’ዩ” ኢሉ። ብመሰረት ሓድሽ ውጥን ኣብ ክልተ ዓመት ክካየድ እንተኺኢሉ ንገንዘባዊ እቶት ፊፋ ክብ ከብሎ ከምዝኽእል’ዩ ዝግለጽ። ተስፋ ኣፍሪቃ ከኣ እቶት ፊፋ ክውስኽ ኣብ ዝኽእለሉ እዋን ክርከብ ዝኽእል ክፍፍል ገንዘብ ኮይኑ፤ እቲ ዝርከብ ገንዘብ ስፖርታዊ ልምዓት ንምስላጥ ከምዝሕግዝ ይእመን። ኣፍሪቃ ንዋንጫ ዓለምን ኣፍሪቃን ብኸመይ ክተእንግድን ክትዳለውን ትኽእል ኣብ ዝብል ጉዳይ ግን እቲ ፕረዚደንት ዝሃቦ ዝርዝር መብርሂ የለን። “እቲ ኣብ ክልተ ዓመት ሓደ ጊዜ ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ዝምልከት ብፊፋ ስለዝውሰን ብዛዕባ ኣካይድኡ ብዕምቆት ክርእይዎ እዮም። ንሕና ከኣ ንጉዳይ ዋንጫ ኣፍሪቃ በቲ ትኽክለኛ መገዲ ክነኺዶ ኢና” ክብል ገሊጹ። ዋንጫ ዓለም ኣብ ክልተ ዓመት ክካየድ ዝቐረበ ውጥን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ክቐርብ ከሎ 166 ሃገራት ድጋፈን እንተረጋግጻ 22 ከኣ ተቓዊመንኦ ነይረን።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57873994"} {"headline":"ዋንጫ ዓለም 2022 ካብቲ ዝተወጠነሉ ሓደ መዓልቲ ኣቐዲሙ ክጅምር'ዩ","content":"ዋንጫ ዓለም 2022፡ ካብቲ ተወጢኑሉ ዝጸንሐ፡ ብሓደ መዓልቲ ቐዲሙ 20 ሕዳር ኣብ ሞንጎ ቐጠርን ኤኳዶርን ብዝካየድ ግጥም ክጅምር ምዃኑ ተፈሊጡ። እቲ ናይ ምድብ \"ሀ\" [Group A] መጀመሪ ጸወታ ንሰኑይ 21 ሕዳር 2022 ከም ሳልሳይ ግጥም ኮይኑ ክካየድ እዩ መደብ ተታሒዙሉ ነይሩ። ናይቲ ውድድር መኽፈቲ ፀዋታ ድማ ብመሰረት እቲ ኣቐዲሙ ተታሒዙ ዝነበረ መደብ ሰኑይ 20 ሕዳር 2022 ሰኔጋል ኣንጻር ሆላንድ ዝካየድ ግጥም ክኸውን ኔርዎ። ይኹን እምበር ምምሕዳራዊ ኣካል ፊፋ ንጸወታ ቀጠር ናብ ቅድሚት ንምምፃእ ሓሳብ ኣቕሪቡ ኣሎ። ምስ ቀጠርን መጋጥምታ ኤኳዶርን'ውን ዘተ ተኻይዱ እዩ። እቲ ዝቐረበ ሓሳብ ድማ ምስቲ \"ኣእንጋዲት ሃገር ኣብ ናይ መኽፈቲ ጸወታ ክትሳተፉ ኣለዋ\" ዝብል ናይ ሕሉፍ ተሞክሮ ዝሰማማዕ ኮይኑ'ሎ። ናይ መወዳእታ ውሳነ ብቤትጽሕፈት ቤት ምኽሪ ፊፋ ክወሃብ ትፅቢት ይግበር። እቲ ቤት ምኽሪ ንሽዱሽተ ፕረዚደንታት ኮንፈደረሽንን ፕረዚደንት ፊፋ ጂያኒ ኢንፋንቲኖን ዝሓቖፈ እዩ። ከምቲ ትጽቢት ዝግበረሉ እንተፀዲቑ፡ ሰኔጋል ኣንጻር ሆላንድ ዝካየድ ግጥም ሰኑይ 21 ሕዳር ክካየድ'ዩ። ኣብቲ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ሰንበት 20 ሕዳር፡ ሓደ ግጥም [ቀጠር ምስ ኤኳዶር] ከምኡ ድማ ሰኑይ ሰለስተ ግጥማት ይካየዱ ኣለዉ ማለት'ዩ።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2edype7gdo"} {"headline":"ኣብ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ዓዲ እንግሊዝ ንላቲቭያ 20 ብ 0 ድሂኻታ","content":"ሃገራውያን ጋንታታት ደቂ ኣንስትዮ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ላቲቭያ ንመጻረዩ ዋንጫ ዓለም ኣብ ዝገበረኦ ግጥም፡ ኣብ ታሪኸን ዝበዝሐ ሸቶታት ብምምዝጋብ ዝገፈሐ ዓወት ኣመዝጊበን። ዓዲ እንግሊዝ ንላቲቭያ 20 ብ 0 ኣብ ዝሰዓረትሉ፡ ጓል 32 ዓመት ኣጥቃዒት ሃገራዊት ጋንታ ዓዲ እንግሊዝ ኢለን ዋይት ብዘመዝገበቶ ሰለስተ ሸቶታት ተሓጊዛ ኣብ 101 ዝተሳተፈቶ ጸወታታት ሃገራዊት ጋንታኣ 48 ሸቶታት ብምምዝጋብ ዝለዓለት ኣመዝጋቢት ሸቶ ዓዲ እንግሊዝ ኮይና። ኣጥቃዒት ማንቸስተር ሲቲ ዝኾነት ኢለን ዋይት፡ ኣብ መበል ሽዱሽተን ትሽዓተ ደቂቕ ኣከታቲላ ክልተ ሸቶታት ምስ ኣመዝገበት እያ፡ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ዝለዓለት ኣመዝጋቢት ሽቶ ምዃን ብመጉልሒ ድምጺ ተቃሉሑ። ኣብቲ ግጥም ኣጥቃዒት ማንቸስተር ሲቲ ላውረን ኣርባዕተ ሸቶታት ከተመዝግብ እንከላ፡ ተጻዋቲት ኣርሴናል ቤዝ መድ ከምኡ'ውን ተጻዋቲት ማንቸስተር ዩናይትድ ኣሊሳ ሩሶ ነፍሲ ወከፍን ሰለስተ ሸቶታት ኣመዝጊበን። ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝገበረኦ ግጥም መጻረዩ ዋንጫ ዓለም ኣብ ሽዱሽተ ጸወታታት ሽዱሽተ ግዜ ብምዕዋትን 53 ሸቶታት ብምምዝጋብ ንምድበን ብመሪሕነት ይቅልሰኦ ኣለዋ። ሃገራዊት ጋንታ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ 2005 ኣብ ልዕሊ ሃገራዊት ጋንታ ሃንጋሪ 13 ብ 0 ድሕሪ ምስዓረን እቲ ዓወት ክሳብ ትማሊ ዝገፈሐ ዓወት ተባሂሉ እዩ ኣብ መዝገብ ሰፊሩ ጸኒሑ። ሃገራዊት ጋንታ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣንጻር ላቲቭያ ኣብ ዝገበረቶ ግጥም'ውን 10 ብ 0 እያ ድሂኻታ ነይራ።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59487200"} {"headline":"ፊፋ ኣብ ልዕሊ ተጻወትቲ እንግሊዝ ዝተፈጸመ ጥቕዓት ምምርማር ጀሚሩ","content":"ንመጻረይ ዋንጫ ዓለም ኣብ ዋና ከተማ ሃንጋሪ ቡዳፔስት ኣብ ዝተካየደ ጸዋታ ኩዕሶ እግሪ፡ እንግሊዛውያን ተጻወትቲ ራሂም ስተርሊንግን ጁድ ቤሊንግሃም ዒላማ ዘርኣዊ መጥቃዕቲ ኮይኖም ኔሮም። ኣብ ቡዳፔስት ኣብ ዝርከብ ስታድየም ፑስካስ ኣሬና ኣብ ዝተካየደን እንግሊዝ ብሰፊሕ ኣፈላላይ ሸቶ ዝሰዓረትሉን ጸዋታ፡ ተጻወትቲ እንግሊዝ ካብ ተምልከትቲ ዝተፈላለዩ ነገራት ተደርብይዎም ኔሩ። እዚ ድሕሪ ዕረፍቲ ኣብ ዝነበረ ጸዋታ እዩ።ድሕሪ እቲ ጸዋታ ኣብ ልዕሊ ተጻወትታ መጥቃዕቲ ዝተፈጸማ እንግሊዝ፡ \"ፈጺሙ ተቀባልነት ዘይብሉ\" ብምባል ነቲ ተግባር ኮኒና። ንጀርመናዊት ጋንታ ቦሪስያ ዶርትመንድ ተጻዋቲ ማእከላይ መስመር ዝኾነ ወዲ 18 ዓመት ቤሊንግሃም፡ ንጉዳይ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ብመገዲ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ፡ \"ዝምልከቶም ሰብመዚ ግቡእ ስጉምቲ እንተዘይወሲዶም፡ እቲ ተግባር ኣካል እቲ ጸዋታ ኮይኑ ክውሰድ እዩ። ጽልኣት ንክሰፍን ክንገብር የብልናን\" ኢሉ። ቀዳማይ ሚኒስትር ዓባይ ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ብወገኑ፡ \"ከምዚኦም ዝበሉ መሕፈርቲ ተግባራት ንዝንተኣለም ካብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ንክእለዩ፡ ኣብ ልዕሊ ጥፍኣተኛታት ተሪር ስጉምቲ ክውሰድ ይግባእ\" ብምባል ንፊፋ ሓቲቱ። ፊፋ ትማሊ ዓርቢ ድሕሪ ሰዓት ከምዘፍለጦ፡ ኣብ ግጥም ኢንግሊዝን ሃንጋሪን ንዝነበረ ሪፖርት ድሕሪ ምምርማር፡ ነዚ ተግባር ናይ ስነ ስርዓት ስጉምቲ ንምውሳድ ዘክእል ከይዲ ምጅማሩ ኣፍሊጡ። ዝኮነ ይኩን ዓሌታውነት፣ ኣድልዎን መጥቃዕትን ኣትሪሩ ዝቃወመሉ ቅዋሙ፡ ሕዚ'ውን ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ ዝሓበረ ፊፋ፡ \"ኣብ ኩዕሶ እግሪ ዘጋጥሙ ከምዚኦም ዓይነት ተቀባልነት ዘይብሎም ተግባራት ፈጺሙ ኣይዕገስን\" ኢሉ። ቅድም ክብል ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ፡ ደገፍቲ ሃንጋሪ ብዘርአይዎ ዓሌታዊ ተግባር፡ ሃገራዊት ጋንታ ሃንጋሪ ጸወትኣ ኣብ ዕጽው ስታድየም ክተካይድ ወሲኑ ኔሩ። እንተኾነ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ዝተሳለጠ ጸዋታ ብፊፋ ዝካየድ ብምኳኑ፡ ውሳነ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ተግባራዊ ኣይኮነን፤ ደገፍቲ ድማ ኣብ ስታድየም ተረኪቦም ነቲ ጸዋታ ክከታተሉ ክኢሎም ኔሮም። ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝነበረ ጸዋታ ብዘጋጠመ ተግባራት ዓሌታውነትን ኣድልዎን'ዩ ኣብ ልዕሊ ሃንጋሪ ቅጽዓት ዘንበረ።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58413804"} {"headline":"ኩዕሶ እግሪ፡ ንብራዚልን ፕሪምየር ሊግን ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ እንታይ እዩ?","content":"ብራዚል ዋላ እኳ ብዓዲ እንግሊዝ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብ ቀይሕ መዝገብ ካብ ዝሰፈራ ሃገራት እንተኾነት፡ ካብቶም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝጻወቱ ዜጋታታ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ንእተካይዶ ግጥም መጻረዪ ዋንጫ ዓለም ንኽጻወቱ ን8 ተጻወትቲ ጻውዒት ኣቕሪባትሎም ኣላ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ፈዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ዓዲ እንግሊዝ [ፕሪሜር ሊግ]፡ ነቶም ካብ ደቡብ ኣመሪካ መጺኦም ኣብ ሊጉ ዝጻወቱ ተጻወትቲ፡ ብሃገራቶም ንዝቐረበሎም ጻውዒት ብምንጻግ ከይከዱ ከምዝኸልከሎም ይዝከር። ኣብዚ እዋን ዝኾነ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ብራዚል ዝገይሽ ሰብ ብግድነት ን14 መዓልታት ክውሸብ ካብ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ተመሰለ ኸኣ ብተመሳሳሊ ን10 መዓልታት ክውሸብ ዘገድድ ሕጊ እዩ ዘሎ። እንተኾነ ፈደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ብራዚል ነዚ ጸገማት ንምድታሕ ‘እወታዊ ምርድዳር’ ተገይሩ ከምዘሎ እዩ ዝሕብር። ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ኣብ መጻረዪ ዋንጫ ዓለም ምስ ሃገራውያንን ጋንታታት ቬኑንዙዌላ፡ ኮሎምብያን ኡራጋይን እያ ተመዲባ ዘላ። ኣብዚ ውድድር ምስ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ተሰሊፎም ንኽጻወቱ ኸኣ ምስ ሊቨርፑል ዝጻወቱ ኣሊሶንን ፋቢንሆን፡ ምስ ማንቸስተር ሲቲ ዝጻወቱ ኢደርሶንን ጋብሪኤል ጀሱስን፡ ምስ ቸልሲ ዝጻወት ትያጎ ሲልቫ፡ ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ ዝጻወት ፍረድ፡ ምስ ሊድስ ዝጻወት ራፊንሃን ምስ ቶተንሃም ዝጻወት ኢመርሰን ሮያልን እያ ጻውዒት ኣቕሪባትሎም ዘላ። ናይ ቀደም ተጻዋታይ ሚድስብሮን ዝነበረን ሕጂ ኣዋሃሃዲ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ዘሎ ብራዚላዊ ጂንሆ ፓውሊስታ፡ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ዓዲ እንግሊዝ ነቶም ጻውዒት ተገይርሎም ዘሎ 8 ብራዚላውያን ክሰዶም ልዑል ትጽቢት ከምዘለዎ ሓቢሩ። ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ኣካላት ካብ ዝምጽእ ሰሙን ተግባራዊ ዝኸውን ናይ ንተጻወትቲ ካብ ናይ መገሻ እግዳታት ነጻ ዝገብር ስምምዕ ይግበር ከምዘሎ’ውን ጂንሆ ፓውሊስታ ገሊጹ። ጂንሆ ፓውሊስታ ብምስዓብ “ምስ ፊፋ፡ ምስ ሓለፍቲ ፕሪሜርሊግን መንግስቲ ብሪጣንያን ብዙሕ ኣኼባታት ኢና ኣካይድና፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኸኣ ዝሓሸ እወታዊ ፍታሕ ክህሉ እዩ፡ ካብዚ ብምብጋስ ኢና ነዞም ተጻወትቲ ጻውዒት ኣቕሪብናሎም ዘለና” ኢሉ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ ፕሪሜር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝጻወቱ ተጻወትቲ ናብተን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ቀይሕ መዝገብ ዝሰፈራ [ብራዚል ትርከበን] ሃገራት ተጻወቱ ከምዘይሰድድ ምግላጹ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ ምስ ኣስቶን ቪላ ዝጻወቱ ኢሚሊኖ ብውንድያን ኢሚሊኖ ማርቲነዝን ከምኡ’ውን ምስ ቶቶንሃም ዝጻወቱ ጆቫኒ ሎ ሴልሲን ክሪስቲን ሮሚሮን ናብ ኣርጀንቲና ብምኻድ ምስ ሃገራዊት ጋንትኦም ምጽዋቶም ይዝከር። እንተኾነ ኣርጀንቲና ምስ ብራዚል ዝነበራ ጸወታ እቶም ካብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመጽኡ ኣርባዕተ ተጻወትቲ ሕግታት ኮሮናቫይረስ ኣየማልኡን ኢላ ብራዚል ስለዝኸሰሰት ኣብ መበል ሓሙሽተ ደቒቕ ጸወታ ከምዝቋረጽ ተገይሩ።. ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ነቲ ኣብ 2022 ኣብ ቀጠር ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ንምሕላፍ ኣብ እትብሮ ዘላ መጻረዪ ግጥማት ኣብ ሸሞንት ግጥም ሸሞንተ ዓወት ብምምዝጋብ ነታ ትስዕባ ዘላ ኣርጀንቲና ብሽዱሽተ ነጥቢ ጸብለል ኢላ ቀዳመይቲ ኮይና ትመርሕ ኣላ። ነዚ ምውጣጥ ፈደሬሽን ኩዕሲ እግሪ ዓዲ እንግሊዝን ብራዚልን ኣመልኪቱ ፊፋ ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ ርእይተ የለን።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58689408"} {"headline":"ባሎን ዲኦር፡ ልዮነል ሜሲ ንሻውዓይ ግዚኡ ብሉጽ ተጻዋታይ ዓለም ኮይኑ","content":"ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲናን ፈረንሳዊት ክለብ ፓሪስ ሰይንት ጀርመንን ዝኾነ ልዮነል ሜሲ ዝበለጸ ተዓዋታይ ዓመተ 2021 ተባሂሉ ድሕሪ ምርቁሑ ብድምር ሸውዓተ ግዜ ነዚ ሽልማት ብምብቕዑ ክብረ ወሰን ሒዙ። ወዲ 34 ዓመት ልዮነል ሜሲ፡ ንሃገሩ ተዓዋቲት ዋንጫ ኮፓ ኣመሪካ ንኽትከውን ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝነበሮ ዝዝከር ኮይኑ፡ ብሓፈሻ ኣብ ዓመተ 2021፡ 40 ሽቶታት ከመዝግብ ክኢሉ፤ 28 ኣብ ባርሲሎና፡ 4 ኣብ ፓሪስ ሰይንት ጀርመይ ከምኡ'ውን 8 ምስ ሃገራዊ ጋንታታት ኣርጀንቲና ኮይኑ ሸቶታት ኣመዝጊቡ። ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ጋንታ ፖላንድን ክለብ ባየር ሙኒኽን ሮበርት ለዋንዶዊስኪ ንሜሲ ተኸቲሉ ካልኣይ ክኸውን እንከሎ፡ ኣከፋፋሊ ሃገራዊት ጋንታ ጥልያንን ክለብ ቸልስን ጆርጂንሆ ሳልሳይ፡ ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳን ርያል ማድሪድን ካሪም ቤንዚማ ኸኣ ራብዓይ ብምዃን ዝበለጹ ተጻወትቲ ዓመተ 2021 ተባሂሎም። ባሎን ዲኦር ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ 180 ጋዜጠኛታት ብዝህብዎ ድምጺ'ዩ እቲ ሽልማት ዝውሃብ። ኣብ ዓመተ 2020 ብሰንኪ ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እዚ ሽልማት ከይተወሃበ እዩ ሓሊፉ። ካብ 2008 ክሳብ 2019 ኣብ ዝነበረ ዓመታት ብጀካ እታ ኣብ 2018 ክሮሽኣዊ ኣከፋፋሊ ሉካ ሞድሪች ዝተዓወታ፡ ሜሲን ክሪስትያኖ ሮናልዶን'ዮም ነቲ ሽልማት ክመናጠልሉ ጸኒሖም። ብሓፈሻ ኸኣ ክርስትያኖ ሮናልዶ ሓሙሽተ ግዜ ነዚ ውድድር ክዕወተሉ ክኢሉ እዩ። ኣርጀንቲናዊ ልዮነል ሜሲ፡ ኣብ 2009, 2010, 2011, 2012, 2015 ከምኡ'ውን ኣብ 2019 ነዚ ውድድር ብምዕዋት ካብ ክርስትያኖ ሮናልዶ ብሓንቲ ጸብለል ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ምስዛ ናይ ሎሚ ዓመት ሽልማቱ ኣጸቢቑ ማሕዲግሉ ኣሎ።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59472334"} {"headline":"ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ እንግሊዝ ማሕበራዊ መራኸብታት ምጥቃም ደው ከብላ ምዃነን ኣፍሊጠን","content":"ጋንታታት ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ፣ ኢንግሊሽ ፉትቦል ሊግን ሱፐርሊግ ደቂኣንስትዮን ንኣርባዕተ መዓልታት ካብ ተጠቓምነት ንክዕቀባ ምውሳነን ሓቢረን። እተን ጋንታታት ናብዚ ውሳነ ዝበጽሓ ኣብቶም ማሕበራዊ መራኸብታት ዝረኣዩ ዘርኣዊ ጥቕዓትን ምግላልን ንምቅዋም ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ። እቲ ኣድማ ምቁራጽ ተጠቓምነት ማሕበራዊ ሚድያ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልታት’ዩ ክጅምር። ማሕበር ኩዕሶ እግሪ፣ እቲ ጉዳይ ይምልከተና ዝብሉ ኣካላትን ‘ኪክ ኢት ኦፍ’ ዝተበሃለ ኣንጻር ምግላል ዝቃለስ ትካል ኣብዚ ተቓውሞ ክሳተፉ’ዮም። ኣቦ መንበር ‘ኪክ ኢት ኦፍ’ ሳንጃይ ባንዳሪ “እዚ ኣድማ በቲ ጉዳይ ክሳብ ክንደይ ከምዘማረርና ዘርእይ እዩ” ክብል ገሊጹ። ወሲኹ ድማ “ማሕበራዊ መራኸብታት ኣብዚ እዋን ኣዝዮም መርዛማት ንዝኾኑ ጥቕዓታት ተሳጢሖም ይርከቡ። ሓቢርና ነዚ ኣድማ ነካይይድ ዘለና ድማ ዝምልከቶም ሓለፍቲ መልእኽትና ንኽበጽሖም ብዝብል’ዩ። ስጉምቲ ክትወስዱ ንደልይ ኢና። ለውጢ ክተምጽኡ ኢና ንብህግ” ኢሉ። እቶም ማሕበራዊ መራኸብታት ነቶም ብሕቡእ ጥቕዓታት ዝፍጽሙ ዘይኮነስ ንማሕበረሰብ ኩዕሶ እግሪ ዝምችዉ ክኾኑ ከምዘለዎም ድማ ሓቢሩ። ምስ ሕብሪ ቆርበቱ ብዝተሓሓዝ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተደጋጋሚ ጥቕዓት ዝበጽሖ ተጻዋቲ ጋንታ ሼፊልድ ዩናይትድ ዴቪድ ማክጎልድሪክ “እቲ እዋን ሕዚ እዩ” ክብል ነቲ ወፍሪ ዘለዎ ድጋፍ ገሊጹ። “ኣባይ ዝበጽሐ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ተጻወትቲ’ውን በጺሑ እዩ። ዝኾነ ነገር ክግበር ኣለዎ። ንሕብሪ ቖርበት መሰረት ዝገበረ ጥቕዓት ምፍጻም ንብዙሓት ዝቐልል ተግባር’ዩ” ኢሉ። ጋንትኡ ትማሊ ቀዳም [24\/04\/2021] ምስ ብራይተን ኣብ ዝነበራ ግጥም ሓንቲ ሽቶ ኣቑጺሩ ክትዕወት ብድሕሪ ምግባሩ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ “ንሓሳብ ሱፐር ሊግ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ኣወጊድና ንዘርኣውነት ግን ስለምንታይ ክንስዕሮ ዘይከኣልና?” ክብል ሓቲቱ። ንዓሌታዊ ጥቕዓት ተቓሊዑ ዝነበረ ኣጥቃዓይ ጋንታ ብራይተን ኒል ሞፔም ብወገኑ ንስካይ ስፖርት ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ “እቲ ኣድማ ትኽክለኛ እዩ” ክብል ደጊፉ። ብመሰረት እቲ ዝካየድ ኣድማ ጋንታታት፣ ኣመሓደርትን ማሕበር ዳኛታት ኩዕሶ እግርን ንመዓልታት ካብ ትዊተር፣ ፌስቡክን ኢንስታግራምን ነነብሶም ከርሕቖ ኣብ ስምምዕ በጺሖም ኣለዉ። ቅድሚ ሰሙናት ኣቢሉ ጋንታ ስዋንሲ ሲቲ ኣብ ልዕሊ ተጻወትቲ እታ ጋንታ ብዝተፈጸመ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ምኽንያት ንሓደ ሰሙን ዝጸንሐ ኣድማ ኣካይዳ ምንባራ ይዝከር። ጋንታታት በርሚንግሃምን ስኮትላንዳዊት ሬንጀርስን እውን ተመሳሳሊ ኣድማ ኣካይደን ነይረን። ተጻዋቲ ጋንታ ኣርሰናል ነበር ቲዬሪ ሄንሪ ድማ ብዓሌታውን ካልኦት ጥቕዓታትን ምኽንያት ካብ ተጠቓምነት ማሕበራዊ ሚድያ ንነብሱ ከምዘርሓቐ ኣፍሊጡ’ዩ። መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኩባንያታት ማሕበራዊ መራኸብታት ነቲ ጸገም ክፈትሕኦ እንተዘይኪኢለን ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣጠንቂቑ ነይሩ። ፌስቡክ ድማ ከበድቲ ስጉምትታት ክወስድ ምዃኑ ኣብ ወርሒ ለካቲት ገሊጹ ምንባሩ ይፍለጥ። ብፌስቡክ ዝመሓደር ኢንስታግራም ብወገኑ ተጠቀምቲ መሓዙቶም [‘ፍሬንድስ’] ካብ ዘይኮኑ ሰባት መልእኽቲ ከይበጽሖም ዘኽእል መገዲ ንምትእትታው ውጥን ከምዘለዎ ቅድሚ ሰሙን ኣፍሊጡ።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56878201"} {"headline":"ዋንጫ ዓለም በብ ክልተ ዓመት ክካየድ ዝቐረበ ሓሳብ ተቓውሞ ገጢምዎ","content":"ኮሚቴ ኦሊምፒክ፡ ዋንጫ ዓለም በብ ክልተ ዓመት ምክያዱ፡ ኣብ ካልኦት ዓውድታት ስፖርትን መዓርነት ስርዓተ ፆታን፡ ፀገም የስዕብ እዩ ክብል ተቓዊምዎ። ዓለም-ለኸ ኮሚቴ ኦሊምፒክ (ኢይኦሲ)፡ ፊፋ፡ ናይ ደቂተባዕትዮ ዋንጫ ዓለም በብ ክልተ ዓመት ክካየድ ዝሓዞ ትልሚ፡ ንካልኦት ዓውድታት ስፖርትን መዓርነት ስርዓተ ፆታን ስግኣት ክኾን ከምዝኽእል ገሊፁ። ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግርን ፀዋታታት ኦሊምፒክን በብ ክልተ ዓመት ምክያዶም፡ ኣብ ተመሳሳሊ ግዘ ክካየዱን ምድርራብ ክፈጥሩን ይኽእል’ዩ ኢሉ። ውድድር ኦሊምፒክ ኩዕሶ እግሪ ደቂኣንስትዮ’ውን ዓብይ ቦታ ዝወሃቦ እዩ። ዓለም-ለኸ ኮሚቴ ኦሊምፒክ (ኢይኦሲ) ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ምስ ካልኦት ውድድራት ዘጋጥም ምድርራብ “ብዝሓነት ስፖርትን ልምዓትን” የዳኽም ኢሉ። ናይ ደቂተባዕትዮ ስፖርት ዝካየድ ምዃኑ’ውን፡ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ደቂኣንስትዮ “ዕንቅፋት” ዝፈጥር እዩ ኢሉ። ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳን 10 ሊጋት ደቂኣንስትዮ ኣውሮጳን ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፡ እቶም ትልምታት “ብጣዕሚ ጎዳእቲ” ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም ኢሉ። ዋንጫ ዓለም ደቂኣንስትዮ፡ ምስ ናይ ደቂተባዕትዮ ውድድር ኣብ ተመሳሳሊ እዋን’ዩ ዝካየድ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ድማ ናይ ደቂተባዕትዮ ሊጋት ብምባል፡ ፊፋ ንዘቕረቦ ሓሳብ ከምዝተቓወምዎ ኣረጋጊፆም። ድሕንነት ተፃወትቲ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ኣካላት ስፖርት ዝተልዓሉ ስግኣታት ከምዝኣምነሎም ዝገለፀ ዓለም-ለኸ ኮሚቴ ኦሊምፒክ (ኢይኦሲ)፡ ዋንጫ ዓለም ምድግጋሙ “ኣብ ኣእምሮን ኣካልን ተፃወትቲ ከቢድ ፀቕጢ ይፈጥር” ኢሉ። ላዕለዋይ ኣካል ኦሊምፒክ ምስ ተወከልቲ ሰፊሕ ዘተ ክካየድ ዝግበር ፃውዒት ከምዝድግፍ ብምግላፅ፡ እዚ “ብግልፂ ከምዘይተኻየደ” ኣፍሊጡ።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58944960"} {"headline":"ካሪም ቤንዚማ ተዓዋቲ ሽልማት ባሉን ዶ'ር ኰይኑ","content":"ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳን ጋንታ ሪያል ማድሪድን ካሪም ቤንዚማ፡  ንፈለማ እዋን ተዓዋቲ ንብሉጽ ተጻዋታይ እዚ ዓመት ዝወሃብ ሽልማት ባሉን ዶ'ር ኰይኑ። ባንዜማ፡ ኣብ 46 ግጥማት 44 ሸቶታት ብምቑጻር ጋንትኡ ሪያል ማድሪድ፡ ኣብ 2021-22 ተዓዋቲት ቻምፒዮንስ ሊግን ላ ሊጋን ክትኸውን ዓብዪ ግደ ተጻዊቱ'ዩ። ንዝሓለፉ 13 ሽልማታት ባሉን ዶ'ር፡ ሊዮነል መሲ ሸውዓተ ግዘ፡ ክርስትያኖ ሮናልዶ ሓሙሽተ ግዘ ተዓዊቶምሉ። ኣብ 2021-22 ምስ ጋንታ ሊቨርፑል ዝጸንሐ ተጻዋታይ ባየር ሙኒኽ ሳዲዮ ማነ፡ ንተጻዋታይ ጋንታ ማንችስተር ሲቲ ኬቨን ዲ በሩይነ ብምቕዳም ካልኣይ ደረጃ ሒዙ ኣሎ። ኣብ ምድብ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ተጻዋቲት ጋንታ ባርሰሎና ኣሌክሳ ፑቴላስ ተዓዋቲት ባሉን ዶ'ር 2022 ኰይና፡ተዓዋቲት ኢንግላንድ ዩሮ 2022 ዝዀነት ተጻዋተቲት ጋንታ ኣርሴናል ቤት ሚያድ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ። ኣብቲ ስነ ስርዓት ሽልማት ብሽዱሽተ ምድብ ዝተሓረየት ሻምፒዮና ፕሪሚየርሊግ ማንችስተር ሲቲ፡ ንሊቨርፑል በሊጻ ሽልማት ጋንታ እዚ ዓመት ወሲዳ። ሽልማት ባሎን ዶ’ር፡ ዓመታዊ ንብሉጽ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ዝወሃብ እዩ። ዝነዲን ዚዳን ኣብ 1998 ንሽልማት ባሉን ዶር ካብ ዝዕወተሉ ንደሓር፡ ካሪም ቤንዚማ ነዚ ሽልማት ዝወሰደ ፈላማይ ፈረንሳዊ ኰይኑ ኣሎ። ዚዳን እውን ነቲ ሽልማት ከበርክተሉ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቡ። \"እዚ ኣብ ቅድመይ ዘሎ ሽልማት፡ ኩርዓት ክስመዐኒ ዝገብር እዩ\" ኢሉ ቤንዚማ ታሕጓሱ እንትገልጽ። \"ናይ ቁልዕነት ሕልመይ እዩ ነይሩ፤ ተስፋ ኣይቆረጽኩን። ኩሉ ይከኣል እዩ።በቲ ኣብዚ ዝበጻሕኩሉ ጉዕዞ ብሓቂ እኾርዕ፤ ቀሊል ኣይነበረን። ንቤተሰበይ እውን ከቢድ እዋን ነይሩ\" ኢሉ። ቤንዚማ ብዙሕ ድምጺ ብርካብ እዩ ብሉጽ ተጻዋታይ እዚ ዓመት ኮይኑ። ቤንዚማ ዘቑጸረን 44 ሸቶታት፡ ጋንትኡ ምስ ፓሪስ ሴንት ጀርመይን ኣብ ዝተጻወተትሉ ውድድር ሻምፒዮን ሊግ፡ ኣብ ቀዳሞት 17 ደቓይቕ ካልኣይ እግሪ እቲ ጸወታ ዘመዝገበን ሰለስተ ሽቶታትን (ሃትሪክ) ኣብ ልዕሊ ቼልሲ ዘመዝገበን ተመሳሰልቲ ሸቶታትን ዝሓወሳ እየን። ካብ 2009 ጀሚሩ ንጋንታ ሪያል ማድሪድ ዝጻወት ዘሎ እቲ ወዲ 34 ዓመት፡ ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ 20 ሕዳር ኣብ ቀጠር ዝጅመር ግጥም ዋንጫ ዓለም ንሃገሩ ወሳናይ ኣበርክቶ ክህልዎ ትጽቢት ይግበር።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c1deg8475dxo"} {"headline":"ኣሰልጣኒ ኣርሰናል ኣብ ናይ ትማሊ ጸዋታ ብዝተሰምዐ ዓሌታዊ ጸርፊ ቁጥዕኡ ገሊጹ","content":"ጋንታ ሊድስ ዩናይትድ ትማሊ ምስ ኣርሰናል ኣብ ዝነበረ ጸዋታ ንዝተሰምዐ ዓሌታዊ ጸርፊ ስዒቡ ደገፍቲ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ኣፍሊጣ። እታ ጋንታ፡ ኣብ ሜድኣ ብጋንታ ኣርሰናል 4 ብ 1 ኣብ ዝተሰዓረትሉ እዋን ካብ ደገፍቲ ዓሌታዊ ጸርፊ ስለዝተሰምዐ ገለ ኣብ ቀይዲ ብምእታዎም ምጽራይ ክካየድ ከምዝጀመረ ሓለፍቲ እታ ጋንታ ገሊጾም። ንጋንታ ኣርሰናል ዝጻወት ሮብ ሆልዲን፡ ኣብ መበል 33 ደቂቓ ናብ ራብዓይ ዳኛ ከይዱ፡ ካብ ወገን ደገፍቲ ሊድስ ዩናይትድ ዓሊታዊ መጥቃዕቲ ከምዝሰምዐ ሓቢሩ። “ኣብ ሊድስ ዩናይድት ዓሌታውነት ኣይንጻወርን” ዝበለ ምምሕዳር እታ ጋንታ ብድሕሪ’ቲ ዝካየድ ምጽራይ ተሪር ስጉምቲ ክውሰድ ምዃኑ ሓቢሩ። “ዝኾነ ይኹን ደጋፊ ነቲ ዓሌታዊ ዘረባ ከምዝተዛረበ እንተተረጋጊጹ ዕድመ ልክዑ ንግጥማት ሊድስ ዩናይትድ ብኣካል ተረኺቡ ከይከታተል ክእገድ’ዩ” ኢሉ ምምሕዳር እታ ጋንታ ኣብ መግለጺኡ። ኣሰልጣኒ ጋንታ ኣርሰናል ማይክል ኣርቴታ ብወገኑ “ነዚ ከምዚ ዝበለ ነገር ደው ንምባል ብዘሕ ጻዕርታት’ኳ እንተገበርና ሕዚ ከጋጥም ምስማዕ ኣዝዩ ዘጉህይ እዩ” ኢሉ። “እቲ ጉዳይ ኣጋጢሙስ ጥርዓን ቀሪቡ’ሎ። ቀጻሊ ስራሕ ናይ መሪሕነት እዩ ዝኸውን። ብወገነይ ግን ዝብሎ ነገር የብለይን” ክብል’ውን ተዛሪቡ። ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ነቲ ጉዳይ የጻርዮ ምህላዉ ኣፍሊጡ’ሎ።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59716928"} {"headline":"ግብጺ፡ ኣብ ውድድር ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝዓተረታ ዋንጫ \"ተሰዊራ'","content":"ግብጺ፡ ኣብ ውድድር ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2010 ዝጨበጠታ ዋንጫ ከምዝተሰወረት ገሊጻ። ሃገራዊ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ግብጺ ኣብ ዘካይዶ መርመራታት፡ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ዋና-ቤት ጽሕፈቱ ብርክት ዝበላ ካልኦት ዋንጫታት'ውን ተሰዊረን ከምዘለዋ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ። ግብጺ፡ ኣብ 2010 ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ንሳልሳይ ግዜ ድሕሪ ምዕዋታ'ዩ ነታ ዋንጫ ወኒናታ። ግብጺ ኣብ 2006, 2008 ከምኡ'ውን 2010 ኣብ ዝግበረቶ ኣህጉራዊ ውድድራት ብተኸታታሊ ምስ ተዓወተት ቅዳሕ እታ ፍሉይ ቅዲ ዘለዋ ዋንጫ ክትዕቕብ ክኢላ። ሃገራዊ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ግብጺ፡ እታ ዋንጫ ተሰዊራ ከምዘላ ምስ ኣረጋገጸ ትማሊ ዓርቢ መርመራታት ክካየድ ወሲኑ። ቀንዲ ቤት-ጽሕፈት ሃገራዊ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ግብጺ ኣብ 2013 ብናዕበኛታት መጥቃዕቲ በጺሕዎ ከምዝነበረን፡ እተን ወናጩ ድማ ኣብ ሓደ መኽዘን ከምዝተወስዳን ይግለጽ። እንተኾነ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ እቲ ሃገራዊ ፌደረሽን ቤት-ጽሕፈቱ ከመዓራርዮ ድሕሪ ምውሳኑ፡ እታ ዋንጫ ከምዘየላ ፈሊጡ። ኣብ 2013፡ እቲ ቤት-ጽሕፈት በቶም ኣብ ካይሮ ሓያል ናዕቢ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ዝተዘመተ ኮይኑ፡ እቶም መርመርቲ እተን ወናጩ ኣብቲ እዋን ድየን ተወሲደን ኣብ ዝብል ምጽራያት ይገብር ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ኣብ ታሪኽ ኣፍሪቃ ንመጀመርታ ግዜ ብተኸታታሊ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝዓተረት ሃገራዊት ጋንታ ጋና እያ። ቀጺሉ ድማ ሃገራዊት ጋንታ ካሜሩን ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ብተደጋጋሚ ዝዓተረት ሃገር ኮይና ትርከብ። ኣብዚ እዋን፡ ከምታ ሃገራዊ ጋንታ ግብጺ ዝዓተረታ ትመሳሰል ዋንጫ ኣብ ኢድ ሃገራዊት ጋንታ ኣልጀርያ እያ ዘላ።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54036054"} {"headline":"ዋንጫ ዓለም 2020፡ \"ነቲ ምድብ ዝምጥን ምድላው ክንገብር ኣለና\" ኣሰልጣኒ ኣብርሃም","content":"ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ንመጻረዪ ዋንጫ ዓለም 2022 ኣብ ዝካየዱ ግጥማት ኣብ 7ይ ምድብ ምስ ጋና፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ዚምባብወን ተደልዲላ'ላ። እዚ ምድብ ንኢትዮጵያ ፈታኒ'ዶ ይኸውን? እቲ ምድብ ድልድል ኣብ ከተማ ካይሮ'ዩ ተኻይዱ። ከካብ ምድቡ ዝሓለፋ ሃገራውያን ጋንታታት መሊሰን ብዕጫ ተደልዲለን ክጻወታ እየን። ኣብ ናይ በጺሕኻ መልሲ ጸዋታ ዝተዓወታ 5 ሃገራውያን ጋንታታት ከኣ ኣብቲ ቀጠር (ኳታር) እተአንግዶ ዋንጫ ዓለም ንኣፍሪቃ ወኪለን ይሳተፋ። ዋልያ ብዝብል እትፍለጥ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ስታድየም ባህርዳር ምስ ሌሴቶ ዝገበሮ ግጥም ብዘይገለ ሸቶ ዛዚማ'ያ። ሌሴቶ ኣብ ዝተኻየደ ጸዋታ ግን ሓደ ማዕረ ስለዝተፈላለየት፡ ካብ ሜዳ ወጻኢ ሸቶ ብዘቑጸረ ብዝብል ናብ ቀጻሊ ዙር ብምሕላፍ ናብ ምድብ ድልድል ክትኣትው ክኢላ። ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዯጵያ ኢንስትራክተር ኣብርሃም ተክለሃይማኖት \"ምስተን ዝለዓለ ተሞክሮ ዘለወን ሃገራውያን ጋንታታት እንተዘይበጽሓና\" ዝብል ውሽጣዊ ትጽቢት ከምዝነበሮ ኣይሓብእን። \"ብፍላይ እተን ቅድም ክብል ንዋንጫ ዓለም ኣብ ምሕላፍ ተደጋጋሚ ታሪኽ ዘለወን ሃገራት እንተዘይበጽሓኒ ኢልካ ክትሓስብ ግድን'ዩ። እቲ ድልድል ብዕጫ ዝወጽእ ስለዝኾነ ግን ብጸጋ ክትቕበሎ ግድን'ዩ\" ይብል። ብተደጋጋሚ ኣብ ዋንጫ ዓለም ምስ ዝተሳተፈት ጋናን ብኣሰናዳእነት ዋንጫ ዓለም ተሞክሮ ምስ ዘለዋ ደቡብ ኣፍሪቃን ኣብ ሓደ ምድብ ምህላው ቁሩብ ፈታኒ ከምዝኸውን ይዛረብ። \"ናብ ውድድር ክሳብ ዝኣተና ግን ዝሓሸ ውጽኢት ንምምዝጋብን ካብ ምድብና ብቐዳምነት ንምውዳእን ነቲ ምድብ ዝምጥን ምድላው ክንገበር ከምዝግበኣና እሓስብ\" ኢሉ። እቲ ምድብ ድልድል ወግዓዊ ምስኮነ ብዙሓት ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ማእኸናት ዜና እታ ጋንታ ዕድለኛ ከምዘይኮነት ክጽብጽባ ከምዝሰምዐ ኢንስትራክተር ኣብርሃም ይገልጽ። \"ኣነ ግን ከምኡ'ዩ ኢለ ኣይሓስብን። ንዝኾነት ትኹን ጋንታ ክንሰግእ የብልናን፤ እንተሰጊእና ግን እንተዘይኣተናዮ ይምረጽ። ስለዚ ብምሉእ ምትእምማን ነቲ ውድድር ክንጅምሮ ኣለና\" ክብል ኣረዲኡ። እቲ ኣሰልጣኒ ኣስዕብ ኣቢሉ \"ኣብ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ ንኮትዲቫር ክንስዕር ምኽኣልና፡ ንኸምዚአን ዝበላ ከበድቲ ሃገራውያን ጋንታታት ክንጻወር ከምእንኽእል ዘርእይ እዩ። ነዚ ከም ዓብዪ ሞራል ሰኒቕና ድማ ብመንፈስ ይከኣል'ዩ ናብቲ ውድድር ክንኣትው ይግባእ\" ኢሉ። \"ነዘን ሃገራውያን ጋንታታት ብምስዓር ናብቲ ዝቕጽል ዙር ንምሕላፍ ካብቲ ምስ ኮትዲቫር ኣብ ዝነበረና ጸዋታ ዝገበርናዮ ብዝሓሸ ክንዳለው ኣለና። ነዚ ድማ መንግስትን ካልኦት ኣካላትን ዝከኣሎም ተሳትፎ ክገብሩ ኣለዎም\" ክብል ወሲኹ ገሊጹ። ኣዳነ ግርማ ን10 ዓመታት ዝኣክል ንሃገራዊት ጋንታ ተሰሊፉ ተጻዊቱ'ዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ ኣብ ፕሪምየርሊግ ኢትዮጵያን ትሳተፍ ንዘላ ወልቂጤ ከነማ ብተጻዋታይነትን ኣሰልጣንነትን እናገልገለ ይርከብ። ንሱ ኣብቲ ናይ ሕዚ ድልድል ርእይትኡ ክህብ ከሎ \"እቲ ምድብ ብጽሑፍ ኣብ ወረቐት ክትርእዮ ከለኻ ከቢድ'ዩ ዝመስል። እንተኾነ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ሃገራዊት ጋንታ ዝተመዝገበ ዘይተጸበናዮ ዓወት፡ ንጥንካረ ሃገራዊት ጋንታና ዘረጋግጽ'ዩ። ስለዚ ካብቲ ምድብ ምሕላፍ ይከኣል'ዩ\" ይብል። \"ሃገራዊት ጋንታ ኢትዯጵያ ኣብ ቅድሚ ደገፍታ እትገብሮም ግጥማት ወሰንቲ እዮም። ስለዝኾነ ብጥንቃቐን ሸቶታት ብዘይምእንጋድን ክትውድኦም ኣለዋ\" ክብል ይዛረብ ኣዳነ። ቅድሚ ሕዚ ገና ቅድሚ ጸዋታ ብስነልቦና ተሳዒርካ ናብ ሜዳ ምእታው ቀንዲ ድኽመት እታ ሃገራዊት ጋንታ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፡ ተጻወትቲ ናብ ሜዳ መጋጥምቶም ኣብ ዝኸዱሉ እዋን እውን ብዝተኽኣለ መጠን ነጥቢ ተማቒልካ ንምውጻ ብሓድነት ክሰርሑ ከምዘለዎም ምዒዱ። ኣብቲ ምድብ ምስ ዘለዋ መጋጥምቲ ብምጽጻር ሕዚ ዘሎ ብቕዓት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ እንታይ ከምዝመስል ንኣሰልጣኒ ኣብርሃም መብራህቱ ሕቶ ኣቕሪብናሉ። \"ሕዚ ዘለናሉ ብቕዓት መዕቀኒ ክኾነና ዝኽእል ፊፋ በብወርሑ ዘውጽኦ ደረጃ እዩ። በዚ መሰረት ብፍላይ ምስተን ክልተ ሃገራት [ጋናን ደቡብ ኣፍሪቃን] ዘለና ኣፈላላይ ሰፊሕ እዩ። ብኻልእ መልክዑ ነቲ ምስ ኮትዲቫር ዝገበርናዮ ጸዋታ ምስቲ ንሳተን ዘካየድኦም ናይ መወዳእታ ጸዋታታት ክነነጻጽሮ ከለና ኣብ ጽቡቕ ብቕዓት ከምዘለና ይስምዓኒ\" ክብል ኣረዲኡ። ተጻዋትን ኣሰልጣንን ኣዳነ ግርማ \"ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ኣሰልጣኒ [ኣብርሃም] ጽቡቕ ሰሪሑ እዩ፤ እንተኾነ ተጻወትቲ ቀልጢፉ ክቐያይር'የ ዝዕዘብ። ነዚ ከመሓይሾ እንተኽኢሉ፡ ተጻወትቲ እታ ጋንታ ብዘበለጸ ክዋሃዱን ክላለዩን ክሕግዞ እዩ\" ይብል። ኣሰልጣኒ ኣብርሃም ብወገኑ ነቲ ዝቀርበ ርእይቶ ቅቡል ብምግባር \"ግጥማት ሊግ ሃገርና ዘላቒ ዝኾነ ብቕዓት ዝረኣየሉ ብዘይምዃኑ ብቅዓት ተጻወትቲ'ውን ክወርድ ይኽእል እዩ። ኣነ ድማ ኣብ ጽቡቕ ብቕዓት ዘይርከብ ተጻዋቲ ናብታ ጋንታ ክጽውዖ ኣይክእልን። ንኮትዲቫር ዝሰዓረት ጋንታ ግን ብዝተኽኣለ መጠን ክዕቅባ ክፍትን እየ\" ኢሉ።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/51202768"} {"headline":"ሆንዱራስን ኤል-ሳልቫዶርን፡ ኲናት ዝወለዐ ግጥም ኩዕሶ እግሪ","content":"ኣብ 1969፡ ጋንታታት ኤል-ሳልቫዶርን ሆንዱራስን፡ ህይወት ኣሽሓት ዝበልዐን ኣሽሓት ዘመዛበለን፡ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲታት ኲናት ገጢመን። እዚ ኣብ ታሪክ ኩዕሶ እግሪ ዓለም፡ ደማዊ ግጭት ኮይኑ ተመዝጊቡ። ድሕሪ ኣብ ሜክሲኮ ስታዲም ኣዝቴካ ዝተኻየደ ናይ 90 ደቓይቕ ጸወታ፡ ክልቲኤን ጋንታታት ኣብ ማዕረ ነጥቢ 2-2 እየን ነይረን። እዚ ኣብ ሰሙናት ዝተኻየደ ሳልሳይ ጸወታ ኮይኑ፤ ኣብ 1970 ንዝካየድ ዋንጫ ዓለም ዝተገበረ መጻረዪ ጸወታ'ዩ። ዳርጋ ሓንቲ ሃገር ኣርእያቶ ዘይትፈልጥ ከቢድ ንሕንሕን ድማ ነይሩዎ። ሆንዱራስ ኣብ ሜድኣ ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ ቀዳማይ እግሪ፡ ሓደ ንባዶ ረቲዓ። ኣብ ርእሰ ከተማ ኤል-ሳልቫዶር፡ ሳን ሳልቫዶር ኣብ ዝካየድ ናይ መልሲ ጸወታ ድማ፡ ሰለስተ ንባዶ ክትረትዓ ትጽቢት ይግበር ነይሩ። እንተኾነ፡ ክልቲኡ ጸወታ ብናዕቢ ተበቲዑ። ውጽኢት እቲ ጸወታ ዝውስን ግጥም ተወሰኽቲ 11 ደቓይቕ ክካየድ ምስጀመረ፡ ተጻዋቲ ኤል-ሳልቫዶር ማውሪኮ \"ፒፖ\" ሮድሪጌዝ፡ ዝረኸቡዋ ፍጹም ቅላዕ ናብ ሓላዊ ልዳት ጋንታ ሆንዱራስ ጄሚ ቫሬላ ብምውቃዕ ሸቶ ኣቑጺሩ። \"ሸቶ ምስ ኣቑጸርኩ፡ በቲ ዝተረፈ ውሱን ደቓይቕ ምሳና ማዕረ ዝገብሮም ሸቶ ከቑጽሩ ኣይኽእሉን ኢለ ገሚተ\" ኢሉ ሮድሪጌዝ ድሕሪ 50 ዓመት። \"በታ ሸቶ ክንዕወት ኢና ኢለ ርግጸኛ ኮይነ ነይረ\"። ኤል-ሳልቫዶር 3-2 ተዓዊታ። ተጻወትቲ እታ ጋንታ ተሓቛቚፎም፣ ኣእዳዎም ንሰላምታ ተጨባቢጠን ሓጎሶም ገሊጾም። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ግን፡ ሃገራት እዘን ጋንታታት ናብ ኲናት ኣትየን። ክንዲ ዌልስ እንትኸውን ኤል-ሳልቫዶር፡ ኣብ 1969፡ 3 ሚሊዮን ዝጽጋዕ በዝሒ ህዝቢ ነይሩዋ። መብዛሕትኡ ክፋል እታ ሃገር፡ ዋንነት መሬት ብዘለዎም ሙሁራት ዝተትሓዘ ኮይኑ፡ ንድኻታት ሓረስቶት ዝተረፈ ንኡሽቶ መሬት ነይሩዋ። ሆንዱራስ ብተመሳሳሊ ብውሑዳት ወነንቲ መሬት ዝተኸበበት ኮይና፡ 2.3 ሚሊዮን ህዝቢ ነይሩዋ። ከም ውጽኢቱ፡ ኣብ መላእ 20 ክፍለ ዘመን፡ ሳልቫዶራውያን ሆንዱራስ ዘለዋ ሰፊሕ ተሓራሳይ መሬት ብምውራር፡ ኣብታ ሃገር ንዝተዋፈሩ ኩባኒያታት ፍራምረ ንምቕራብ ክሰርሑ ይፍትኑ ነይሮም። ኣብ መወዳእታ ዓመት እቲ ክፍለዘመን፤ 300 ሽሕ ዝኾኑ ኤል-ሳልቫዶራውያን ናብ ጉረቤት ሃገሮም ተሰዲዶም። ውሑዳት ወነንቲ መሬት ዝኾኑ ድማ፡ ነዚ ደጊፎምዎ። እንተኾነ፡ ሓረስቶት ሆንዱራስ ኣብ ኢድ እቶም ሙሁራት ዝነበረ መሬት ንምምንዛዕ ይቃለሱ ስለ ዝነበሩ ምምጻእ እቶም ስደተኛታት ካልእ ግጭት ክፈጥር ጀሚሩ። መንግስቲ ሆንዱራስ እዚ ምትፍናን ንምህዳእ ክሕግዘኒ'ዩ ዝበሎ ሕጊ ምሕደራ መሬት ሓረስቶት ኣተኣታትዩ። እቶም ሰበስልጣን ግን፡ ኣብቲ ብሙሁራትን ኩባኒያታት ፍራምረ ኣሜሪካን ዝተትሓዘ መሬት ዘይኮነ ትኹረት ገይሮም፡ ኣብቲ ስደተኛታት ዝዓረፍሉ'ዩ። ፕሬዝደንት ሆንዱራስ ኦስዋለዶ ሎፔዝ ኣሬላኖ፡ ኣሽሓት ኤል-ሳልቫዶራውያን ክሰጉግ ጀሚሩ። ኣብ ክሊ እዚ፡ ናይ መሬትን ባሕርን ዶባት ግጭታት ነይሮም'ዮም። \"እቲ ዝዓበየ ነገር፡ እቲ ኲናት ናይ መሬት'ዩ ነይሩ፤ ብዙሕ ህዝቢ ዘለዋ ነታ ንኡሽቶ ህዝቢ ዘለዋ\" ኢሉ፤ ጸሓፊ መጽሓፍ 'ኲናት 100 ሰዓታት' ዳንስ ሃጌዶርን። መንግስቲ ፕሬዝደንት ሳልቫዶራን ፊደል ሳንቼዝ ሄርናንዴዝ፡ ጉዳይ ልዑል ቑጽሪ ናይ ዘለዎም ተመለስቲ ስደተኛታት ንምፍታሕ ይቃለስ ነይሩ። ወነንቲ መሬት እታ ሃገርን ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ይደፍኡ። ጋዜጣታት ድማ፡ ጸብጻባት ጾታዊ ዓመጽን ቅትለትን ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ መጉሃሃርቲ ጸብጻባት ሒዘን ይወጻ። ኣብተን ሃገራት እዚ ቁጥዐ ኣብ ዝዓበየሉ እዋን እየን እምብኣር ክልቲኤን ጋንታታት ንግጥም ኩዕሶ እግሪ ተራኺበን። ሜክሲኮኣዊ ጋዜጠኛ ስፖርት ሪቻርዶ ኦቴሮ፡ \"ብዙሓት ንፖለቲካ ዝምልከቱ ጉዳያት ነይሮም'ዮም\" ይብል። \" ግን ድማ ንዋንጫ ዓለም ዝግበር ሰለስተ መጻረዪ ጸወታ ነይሩ። ኣብ ላቲን ኣሜሪካ ኩዕሶ እግሪ ጽቡቕን ሕማቕን ነገራት ኣብ ምግራሕ ጽቡቕ እጃም ነይሩዎ። ኣብቲ ግዘ እቲ ግን ኣይሓገዘን\"። \"ኤል-ሳልቫዶር ክትዕወት ናይ ምግባር ሃገራዊ ግዴታ ከም ዝነበረና ይስመዐና ነይሩ\" ኢሉ ሮድሪጌዝ። \"ኩላትና ከይንስዓር ዝብል ስግኣት ከም ዝነበረና ይግምት። ምኽንያቱ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ስዕረት ምትእንጋድ፡ ክብሪ ምስኣንን ንቐጻሊ ህይወትና ዕረፍቲ ምስኣንን'ዩ\"። \"ንሕና ዘይንፈልጦ፡ ኣድላይነት እዚ ዓወትን፡ ታሪኻዊ ረብሓ እታ ሸቶን'ዩ ነይሩ። ስለምንታይ? እታ ሸቶ ምልክት ኲናት ክትቑጸር'ያ ዝብል ግምት ኣይነበረናን\" ይብል ተጻዋቲ ኤል-ሳልቫዶር ዝነበረ ማውሪኮ \"ፒፖ\" ሮድሪጌዝ። 'እንታይ'ዩ ዝኸውን ዘሎ'? ብ27 ሰነ፡ ኣጋምሸት ኣብ ሜክሲኮ ንዝካየድ ወሳኒ ጸወታ ምድላው ይገብሩ ነይሮም። ኤል-ሳልቫዶር ምስ ሆንዱራስ ዝነበራ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ግን ሓርፋፍ ነይሩ። ኣብዚ ዕለት፤ ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ፍራንሲስኮ ጆሴ ጉሬሮ፡ ድሕሪ'ቲ ካልኣይ ጸወታ 12 ሽሕ ዝጽግዑ ዜጋታት ሳልቫዶር፡ ሆንዱራስ ለቒቖም ወጺኦም ኢሉ። ድሕሪ እቲ ጸወታ ኣብ ዝነበረ መዓልቲ፡ ማዕኸን ዜና ኣሜሪካ ዝኾነ ዩፒኣይ፡ \"እቲ ናይ ኩእሶ እግሪ ኲናት ብዓወት ኤል-ሳልቫዶር 3ን 2 ተዛዚሙ' ዝብል ርእሰ ዜና ዝሓዘ ጸብጻብ ሒዙ ወጺኡ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ደገፍቲ ሳልቫዶር፤ \"ቀተልቲ...ቀተልቲ...\" እናበሉ ይጭርሑ ብምንባሮም 1,700 ፖሊስ ሜክሲኮ ኣብ ሞንጎ ደገፍቲ እተን ጋንታታት ከጋጥም ዝኽእል ግጭት ንምክልኻል ተዋፊሮም ነይሮም። \"ብርሑቕ ነዚ ጸወታ ዝተኸታተለ ሰብ፡ እታ ሸቶ ኲናት ከም ዘልዓለት ገይሩ ኣጸሊሙዋ\" ኢሉ ሮድሪጌዝ። \"እቲ ኲናት ሽቶ ተቖጸረ ኣይተቖጸረ ምልዓሉ ኣይተርፎን ነይሩ\"። 14 ሓምለ፡ ኤል-ሳልቫዶር ሓይልታታ ሆንዱራንስ ክወሩ ኣዚዛ፤ ደብዳብ ነፈርቲ'ውን ክትፍጽም ወፍሪ ጀሚራ። ሃገዶርን፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ዞባ ካነል ፓናማ ወተሃደር ኣሜሪካ ነይሩ። \"ቀቁሩብ እዝክር፤ ቀስ ኢሉ ጀሚሩ ድሓር እናተጉሃሃረ ከይዱ። ድሓር ኣነ፤ እንታይ'ዩ ዝፍጠር ዘሎ ኢለ? ኬድና እንተርኣና፡ ሳልቫዶራውያን ንሆንዱራስ ምውራሮም ተረዲእና\" ኢሉ። ፖላንዳዊ ጋዜጠኛ ሪዛርድ ካፑሲንኮ፡ ሓደ ካብቶም ውሑዳት ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ኩነታት ንምዕዛብ ዝኽኣሉ ጋዜጠኛታት ወጸኢ'ዩ። ኣብቲ ለይቲ ዝነበረ፡ ካብ ከተማ ሆንዱራስ ጀሚሩ ዝነበሩ ቀዳሞት ናይ ግጭት ክስተታት ብውልቅኡ ሰኒዱ'ዩ። ፕሬዝደንት እታ ሃገር ሎፔዝ ኣሬላኖ፤ ኣብ ኣሜሪካ ምስ ዝነበረ ኣምባሳደሩ ብዛዕባ እቲ ወራር ይዘራረብ ምንባሩ'ውን ኣውጊዑ ምንባሩ ይገልጽ። ካፑሲንኮ፡ ኣብ 1978 ኣብ ዝጽሓፎ 'ኲናት ኩዕሶ እግሪ' ዝሰመዮ መዘከርታ፡ \"ሆንዱራስ ንስዓር ኣይኮንናን\"...\"ሰለስተ ንባዶ ክንብቀሎም ኣለና\" ዝብሉ ጽሑፋት የንብብ ምንባሩ ይጠቅስ። 18 ሓምለ ተኹሲ ጠጠው ክብል ተገይሩ። ኣብቲ ኲናት ብዙሓት ተመዛቢሎም፣ 3000 ሰባት መይቶም፤ መብዛሕትኦም ሆንዱራናውያን ነይሮም። ብዓለማዊ ጸቕጢ፡ ኤል-ሳልቫዶር ሓይልታታ ካብ ሆንዱራስ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣውጺኣ። እቲ ኲናት ዝወለዶ በሰላ ግን፡ በዚ ኣየእኸለን። ንዓሰርታት ዓመታት ክልቲአን ሃገራት ዶባተን ዓጽን ንግዳዊ ርክባተን ኣቋሪጸን። መምህር ዩኒቨርሲቲ ግላስጎው ዶክተር ሞ ሁሜ፡ ኣብ ኤል-ሳልቫዶር ዝነበረ ውሽጣዊ ጸገማት እቲ ናይ ኲዕሶ እግሪ ኲናት ከም ዘበገሶ ትዛረብ። ውሑዳት መሬት ዝወነኑ ሙሁራትን ልዑል ቑጽሪ ዘለዎም ነዚ ዝቃወሙ ሓረስቶትን፡ ዝነበሮም ውጥጥ ዝወለዶ'ዩ ትብል። \"ብምኽንያት ኩዕሶ እግሪ ዝተልዓሉ ዓበይቲ ማሕበረ-ቑጠባዊ ሕቶታት፡ ቀንዲ ምክንያት ናይቲ ካብ 1979 ክሳብ 1992 ዝተኻየ ኲናት ሓድሕድ ኤል-ሳልቫዶር'ዩ\" ኢላ። ክሳብ ሕጂ፤ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ምትፍናን ኣሎ'ዩ። ብዶብ ዝመኻነይ ግጭት ሕጂ'ውን ኣሎ።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48796791"} {"headline":"ሮናልዲኖ ስኑዕ ፓስፖርት ሒዝካ ተባሂሉ ተታሒዙ","content":"ብራዚላዊ ኮኾብ ተጻዋታይ ዓለም ዝነበረ ሮናልዲኖ፡ ስኑዕ ፓስፖርት ሒዝካ ተባሂሉ ብፖሊስ ፓራጓይ ተታሒዙ ከምዘሎ ሰብመዚ እታ ሃገር ገሊጾም። እቲ ምስ ሓው ዘዕረፈሉ ሆቴል ትማሊ ሮቡዕ ብፖሊስ እታ ሃገር ተፈቲሹ። ካልእ ምስኦም ዝተጓዕዘ ወዲ 45 ዓመት እውን ብፖሊስ ተታሒዙ'ሎ። ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ፓራጓይ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ተጻወታይ ይምርመር ኣሎ እምበር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘይኣተወ ገሊጹ። ብተወሳኺ፡ ክልቲኦም ኣሕዋት ነቲ ዝቐረበሎም ገበን ከምዝነጸግዎን ምስ ፖሊስ ብጽቡቕ መንፈስ ይተሓባበሩ ምህላዎምን ኣመልኪቱ። ኣብ ሓምለ 2019፡ ቀረጽ ኣይከፈልካን ተባሂሉ ከምኡ'ውን ኣብ ሕዛእቲ ህንጻ ሰሪሕካ ተባሂሉ ናይ ብራዚልን ስጳኛን ፓስፖርቱ ከምዝተሃገረ ይግለጽ። እዚ ወዲ 39 ዓመት ዝኾነ ኮኾብ ተጻወታይ ነበር፡ መጽሓፍ ንምልላይን ብዛዕባ ኣላዪ ዘይብሎም ቈልዑ ክጉስጉስን እዩ ንፓራጓይ ገይሹ። ኣብ ክለብ ባርሳ ዘደንቕ ብቕዓትን ዓበይቲ ዓወታትን ዝሓፈሰን ክልተ ግዜ ብሉጽ ተጻዋታይ ዓለም ዝተሰመየን ሮናልዲኖ፡ ኣብ 2002 ምስ ካልኦት ብሉጻት ተጻወቲ ብራዚል ኮይኑ ዋንጫ ዓለም ዓቲሩ ነይሩ። ናይ ሮናልዲኖ ሃብቲ ኣስታት 80-100 ሚልዮን ፓውንድ ከምዝበጽሕ ይግመት። ኣብ ኢንስተግራም፡ ንሓንቲ ነገር ክወዓውዕ (ከላሊ) ክሳብ 150 ሽሕ ፓውንድ የኽፍል።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51764545"} {"headline":"ኣርጀንቲና፡ ልዮነል ሜሲ ንሰለስተ ኣዋርሕ ካብ ጸወታ ተኣጊዱ","content":"ሓለቃ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ልዮነል ሜሲ፡ ንኮፓ ኣሜሪካ ብልሽዉ'ዩ ብምባሉ ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ መዱብ ጸወታታት ከይጻወት እገዳ ተነቢርዎ። ኣብ ስጳኛዊት ክለብ ባርሲሎና ኣጥቃዓይ ኮይኑ ዝጻወት ወዲ 32 ዓመት ልዮነል ሜሲ፡ \"ኮፓ ኣሜሪካ ንረብሓ ብራዚል እዩ ተደላዲሉ\" ክብል እዩ ገሊጹ። ፈደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ደቡብ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ሰለስተ ወርሒ እገዳ 50,000 ዶላር ክቅጻዕ'ውን ውሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ። ሜሲ ንውሳነ ፈደሬሽን ኵዕሶ እግሪ ደቡብ ኣሜሪካ ይግባይ ንኽብል ናይ ሰሙን ዕድል ተዋሂብዎ ኣሎ። እዚ ውሳነ ክዉን እንተኾይኑ፡ ኣርጀንቲና ምስ ቺለ፡ ሜክሲኮን ጀርመንን ኣብ ወርሒ መስከረምን ጥቕምትን ከተካይዶ ተመዲቡ ዘሎ ምሕዝነታዊ ግጥማት ኣይክስለፍን'ዩ። ኣርጀንቲና ንዋንጫ ዓለም 2020 እትገብሮ ናይ መጻረዩ ግጥማት ኣብ ወርሒ መጋቢት 2020 እያ ክትጅምር። ኣርጀንቲና ኣብ ኮፓ ኣሜሪካ ብብራዚል 2 ብ 0 ድሕሪ ዝወረዳ ስዕረት ፈደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣርጀንቲና 'ኣብ ዳይነት ጌጋታት ነይሩ' ብምባል ጥርዓኑ ኣስሚዑ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ፈደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ደቡብ ኣሜሪካ፡ ንጥርዓን ፈደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣርጀንቲና ኣብ ዝሃቦ መልሲ ክብሪ ዝጎደሎን መሰረት ዘይብሉን ጥርዓን ክብል መልሲ ሂብሉ ነይሩ። ሜሲ ኣብ ግጥም ኣንጻር ቺለ ምስ ተጻዋታይ ጋንታ ቺለ ጋሪ መደል ብምስሕሓቡ ኣብ መበል 37 ደቒቕ ክልቲኦም ተጻወትቲ ብቀይሕ ካርድ ካብ ሜዳ ከም ዝወጽኡ ይዝከር። \"ንሕና ኣካል እዚ ብልሹው ስራሕ ክንከውን የብልናን\" ዝበለ ሜሲ \"ኣብ ምሉእ እቲ ዝነበረ ግጥማትን ኣብቲ ውድድርን ኣባና ዝነበሮም ትሑት ኣኽብሮት እዮም ኣርእዮሙና\" ኢሉ። ልዮነል ሜሲ ብምስዓብ፡ \"እቲ ዘሕዝን፡ እቲ ብልሽውናን እቶም ደያኑን ህዝቢ ጽቡቕ ጸወታ ከይርኢ ብምግባር ንጸወታ ኩዕሶ እግሪ ብመጠኑ ኣዕንየሞ እዮም\" ኢሉ።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49218490"} {"headline":"ኣልፎንሶ ዳቪስ፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዝተወልደ ተጻዋታይ ባይርሙኒክ","content":"ምስ ዛንታ ሞያዊ ጉዕዞ ኣልፎንሶ ዳቪስ፡ ውሑዳት ተጻወቲ እዮም ክወዳደሩ ዝኽእሉ። እዚ ተጻወታይ፡ ጋና ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት እዩ ኣብ 2000 ዓ.ም ተወሊዱ። ስድርኡ ካብ ውግእ ሓድሕድ ላይበርያ ሃዲሞም፡ ጋና ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ተዓቝቦም። ካብኡ ድማ ብሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ናብ ከናዳ ክኣትው ክኢሎም። ደቪስ፡ ኣብ 2015 ኣብ መበል 14 ዕድሚኡ ናብ ቫንኩቨር ዋይትካፕስ ተጸንቢሩ። ምስታ ጋንታ እንከሎ ድማ ኣንጻር ኤምኤልኤስ (MLS) ክጻወት ዕድል ረኺቡ። እዚ ጸወታ ኣብ ዓይኒ ካልኦት ጋንታታት ዓለም ክእትዎ ክኢሉ። ኣብ 2018 ድማ ሃንደበት ምስ ወሩያትን ብሉጻትን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ሰላምታታት ክለዋወጥንን ክላለን ጀሚሩ። ኣብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ጀርመንን ዓለምንን ዓቢ ዓወት ዘመዝገበትን ብብዙሓት ዝድነቕ ታሪኽ ዘለዋን ባየርሙኒክ ድማ ንኣልፎንሶ ዳቪስ ብ9.84 ሚልዮን ፓውን ገዚኣቶ። ንሱ ''መጀመርታ መዓልቲ ናብ ባይርሙኒክ ምስ መጻእኩ፤ ክኣምኖ ኣይከኣልኩን'' ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ኣብ ክፍሊ መቀያየሪ ክዳውንቲ ምስ ከደ፡ ቀዳማይ ዝረኸቦ ተጻወታይ፡ ካብቶም ኣብ ዓለም ኣለው ዝበሃሉ ተጻወቲ ባይርሙኒክ፡ ርየን ሩበን እዩ። ''ኣብቲ ዘለኽዎ ቦታ መጺኡ፤ ሰላም ኣነ ርየን ሩበን እየ ኢሉኒ'' ኩሉ ዝርእዮን ዝሰምዖን ድንግርግር ኢሉኒ ክብል ድማ ነቲ ዝነበረ ኩነታት ብሓጎስ ይገልጽ። ''ምስ ማልያ እታ ጋንታ ተሳኢለ ኣብ ኢንስተግራም ምስ ለጠፍኩ ድማ፤ ብዙሓት ተጻወቲ 'እንቋዕ ብደሓን መጻእካ' ዝብል መልእክቲ ሰዲዶምለይ'' ይብል። ''ቀጺሉ ድማ ብዙሓት ተጻወቲ ባየርሙኒክ፤ ሰላምትኦም ክሰዱለይ ጀሚሮም'' ክትኣምኖ ብጣዕሚ ዘገርም እዩ ነይሩ ድማ ይብል። ኣልፎንሶ ዳቪስ፡ ንባየርሙኒክ ወኪሉ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዓሰርተ ጸወታታት ተሰሊፉ'ሎ። ኣብዘን ዝተሰለፈን ጸወታታት ድማ ክልተ ሸቶታት ከመዝግብ ክኢሉ። ክኢላ ኩዕሶ እግሪ ጀርመን ዝኮነ፡ ራፋኤል ሆኒግስተን፡ ዳቪስ ገና ብዙሕ ተመኩሮ ከም ዘድልዮን፡ በብእዋኑ ኣብ ጸወታታት እንተተሳቲፉ ብዙሕ ክኸስብ ከም ዝኽእል ይዛረብ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ ዓባይ ጋንታ ቦታ ክትረክብ ብዙሕ ተወዳደሪ እዩ ይብል። ራፋኤል ሆኒግስተን ከም ዝገልጾ፡ ባየር ሙኒክ ንኣልፎንሶ ዳቪስ ከም በዓል ፊሊፕ ለሃም ከምኡ'ውን ደቪድ ኣልባ ከምትገብሮ ዘጠራጥር ኣይኮነን ክብል ይዛረብ። ''ኣልፎንሶ ዳቪስ ክሳብ ሕጂ ብዙሕ ኣድናቆት ረኺቡ'ሎ። ንሱ ክጻወት እንከሎ ቕልጡፍን ተባዕን እዩ። ኣብ ዝተፈለለየ ቦታ ተሰሊፉ ክጻወት'ውን ብቕዓት ኣለዎ'' ይብል። ኣብታ ጋንታ ምስ በዓል ፍሊፕ ኮቲኖ፤ ኢቫን ፕርሲክ ካልኦት ብሉጻት ተጻወቲ ስለዘለው ግን፤ ኣብ መንግኦም ክትስለፍ ብዙሕ ጻዕሪ ከም ዝሓትት ራፋኤል ሆኒግስተን ይዛረብ።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49848931"} {"headline":"መጻረዪ ዋንጫ ዓለም፡ ኤርትራ ምስ ናሚቢያ፡ ኢትዮጵያ ምስ ሌሰቶ ገጢመን","content":"ኣብ 2022 ቀጠር ኣብ ዝእንገድ ዋንጫ ዓለም፡ ዝሳተፋ ሃገራት መጻረዪ ግጥማት ምክያድ ጀሚረን። ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራን ናሚቢያን፡ ረቡዕ ኣብ ስታዲየም ኣስመራ ገጢመን ኤርትራ 2 ብ 1 ክትሰዓር ከላ፡ ኣብ ባህርዳር ምስ ሌሰቶ ዝገጠመት ኢትዮጵያ 0 ብ 0 ተፈላልያ። ንሃገራዊት ጋንታ ናሚብያ ኣብ ሜድኣ ዓዲማ ዝገጠመት ኤርትራ ንዕረፍቲ ብዘይ ሸቶ እያ ወጽያ፤ ድሕሪ ዕረፍቲ ግና ኣብ መበል 50 ደቂቕ ናሚብያ ብሓለቓ ጋንትኣ ብፒተር ሻሉሊ ኣቢላ ፈላሚ ሸቶ ኣመዝጊባ። ድሕሪ ሸሞንተ ደቓይቕ ተኸላኻሊ ሃገራዊ ጋንታ ኤርትራ እሰይ እስቲፋኖስ ብዝፈጸሞ ጌጋ፡ ሃገራዊት ጋንታ ናሚብያ ካልኣይቲ ሸቶ ኣመዚጊባ። ኤርትራ ኣብ መበል 65 ደቂቕ ኤርትራ ብዓሊ ሱሌማን ኣቢላ ሓንቲ ሸቶ ኣመዝጊባ፤ ጸወታ 2 ብ 1 ተዛዚሙ። ኣብ ከተማ ባህርዳር ዝገጠማ ሃገራውያን ጋንታታ ኢትዮጵያን ሌሴቶን ብዘይ ሸቶ እየን ተፈላልየን። ናይ መልሲ ግጥም ሰሉስ 10 መስከረም ናሚብያ ምስ ኤርትራ ኣብ ዊንድሆክ፤ ሌሰቶ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ማሴሩ ክካየድ እዩ። ምድላዋት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣድላዪ ምድላዋት ከም ዝገበረት አሰልጣኒ እታ ጋንታ ኣለምሰገድ ተስፋይ ንቢቢሲ ሓቢሩ። \"እቶም ናይ ትሕቲ 20 ዝነበሩን ነባራት ተጻወትቲ ከምኡ'ውን ኣብ ደገ ካብ ዘለው ፕሮፌሽናላት ተጻወትቲ ዝሓዘት ጋንታ ቆይማ ኣላ። ነዚ ውድድር ተዓዊትናሉ ክንወጽእ ዝከኣለና ሰሪሕና ኣለና\" ኢሉ። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ነዚ ውድድር ዝሳተፉ ተጻወትቲ ካብቶም ንውሕ ንዝበሉ ኣዋርሕ ሒዛቶም ዝጸንሐት ተጻወትቲ ትሕቲ 20ን ካልኦት ፕሮፌሽናላትን ብምሓዝ፡ ንሓደ ወርሕን ክልተ ቕነን ተጠርኒፋ ምድላዋት ክትገብር ምጽንሓ ኣሰልጣኒ ኣለምሰገድ ገሊጹ። ግን፡ ካብ ኣህጉራዊ ውድድራት ቦኲራ ዝጸንሐት ኤርትራ፡ እዚ ውድድር ክሳብ ክንደይ ክብድሃ ይኽእል? \"እቲ ተሳትፎና ንውሕ ዝበለ ግዘ'ኳ እንተሃለዎ፡ ንዘለውና ተጻወትቲ ክእለቶም ተጠቒምና ነቲ ዝገጥሞም ብድሆ ሰይሮም ጽቡቕ ጸወታ ኣርእዮም ክወጽኡ ተዳሊኒና ኣለና። ውጽኢት ኩዕሶ እግሪ ኣቐዲምካ ትትንብዮ'ኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ሜዳ ተወዳደርቲ ኮይንና ደረጅኡ ዝሓለወ ጸወታ ኣርኢና ክንወጽእ ግን ተስፋና'ዩ\" ኢሉ ኣሰልጣኒ ኣለምሰገድ። ብኣሰልጣኒ ቦቢ ሳማሪያ እትምራሕ ሃገራዊት ጋንታ ናሚቢያ፡ 23 ተጻወትቲ ሒዛ ኣስመራ ኣትያ እያ። ኣሰልጣኒ ቦቢ ሳማሪያ ተጻወትቲ ምሕራይ ቀሊል ከም ዘይነበረ ብምግላጽ፡ ጋንትኡ ጽቡቕ ክትጻወት እያ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ሓቢሩ። ግጥም ካልኣይ እግሪ እዘን ጋንታታት ድማ 10 መስከረም ኣብ ናሚቢያ ስታዲየም ሳም ኑጆማ ክካየድ'ዩ። ብኻልእ ወገን፡ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ሎሚ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት 4፡00 ኣብ ስታዲየም ባህርዳር ንኣንጻራዊት ጋንታ ሌሴቶ ክተአንግድ'ያ። ካልኣይ እግሪ ጸወታ እዘን ጋንታታት መጻኢ ሰንበት [8 መስከረም] አብ ሌሴቶ ክካየድ'ዩ። ኣብ 1936 ኣብ በርሊን ድሕሪ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ፡ ዋንጫ ዓለም እቲ ኣዝዩ ዘካትዕን ብዙሕ ተመልካቲ ዘለዎን፡ ዓውዲ እዩ። ኣብ 2018 ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም፡ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ እቲ ክትዕወተሉ እንከላ፡ ውሱን ትሕተ ቕርጺ ስፖርት ዘለዋ ቀጠር ምስ ሃገራት ኢንግሊዝ፣ ኣውስትራሊያ፣ ስፔን-ፖርቹጋል፣ ኔዘርላንድ-ቤልጅም፣ ደቡብ ኮርያን ጃፓንን ተወዳዲራ'ያ መሰል ምእንጋድ እዚ ቶርናመንት ረኺባ። ን28 መዓልታት ቀጠር እተአንግዶ ዋንጫ ዓለም 2022፡ ኣብ ዓረባዊት ሃገር ንፈለማ እዋን ዝካየድ ኮይኑ፡ 32 ሃገራውያን ጋንታታት ክሳተፋ እየን።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/49578021"} {"headline":"ኵዕሶ እግሪ፡ ግብጻዊት ክለብ ወዲ 74 ዓመት ተጸዋታይ ኣፈሪማ","content":"ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ግብጺ ካብ ዓለም 'ዝዓበየ ፕሮፈሽናል ተጻዋታይ እዩ' ዝበሎ ተጻዋታይ ከም ዘፈረመ ኣፍሊጡ። ነዚ ዒዝ ኢለደን ባድሀር ዝተብሃለ ወዲ 74 ዓመት፡ ሲክዝ ኦክተበር ዝተብሃለት ኣብ ሳልሳይ ደረጃ (ዲቪዥን) እትርከብ ግብጻዊት ክለብ እያ ኣፈሪማቶ። እዚ ተጻዋታይ ምስዛ ጋንታ ዝተፈራረሞ ዝርዝራዊ ውዕል ገና ኣይተገለጸን ዘሎ። እዚ ዝዓበየ ፕሮፈሽናል ተጻዋታይ ተባሂሉ ምስ ክለብ ሲክዝ ኦክተበር ክጻወት ክታሙ ዘንበረ ግብጻዊ፡ ኣብ ታሪኽ ኵዕሶ እግሪ ስሙ ተላዒሉ ዘይፈልጥን ቅድሚ ሕጂ ፕሮፈሽናል ተጻዋታይ ኮይኑ ዝተጻወተላ ክለብ ከምዘየላ እዩ ተሓቢሩ። ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ግብጺ እዚ ወዲ 74 ዓመት ፕሮፈሽናል ተጻዋታይ ዒዝ ኢለደን ባህደር፡ ኣብቲ ኣብ ሳልስይ ዲቪዥን ዝገብሮ ጸወታ ወከልቲ 'ጊነስ ቡክ ኦፍ ሪከርድስ' ብኣካል ተዓዚቦም ዝዓበየ ፕሮፈሽናል ተጻዋታይ ዝብል ምስክር ክብሪ መዝገብ ክህብዎ ዕድመ ኣቕሪቦም ኣለዉ።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51209742"} {"headline":"ሽዱሽተ ዓበይቲ ክለባት ዓዲ እንግሊዝ ካብ ውድድር ሱፐር ሊግ ኣንሳሒበን","content":"እተን ኣብ ውድድር ሱፐር ሊግ ኣውሮጳ ክወዳደራ ምዃነን ኣፍሊጠን ዝነበራ ሽዱሽተ ክለባት ዓዲ እንግሊዝ ሓሳበን ብምቕያር ካብቲ ውድድር ከም ዘንሳሓባ ኣፍሊጠን። ቼልሲ ካብቲ ውድድር ከም ዘንሳሐበት ዘፍለጠት ቀዳመይቲ ጋንታ ዓዲ እንግሊዝ ኮይና ማንቸስተር ሲቲ'ውን ንዓኣ ብምስዓብ ኣብቲ ውድድር ንምስታፍ ዝነበራ ሓሳብ ዳግመ ግምት ብምግባር ከም ዘቋረጸቶ ገሊጻ። ነዘን ክልተ ክለባት ተኸቲለን ክላባት ኣርሰናል፣ ማንቸስተር ዩናይትድ፣ ሊቨርፑልን ቶተንሃምን'ውን ካብቲ ውድድር ወጺአን። ጸወታታት ሱፐር ሊግ ኣውሮጳ ኣብ ፍርቂ ናይ ሰሙን ክካየድ ዝተሓስበን ዕስራ ጋንታታት ዘሳትፍን ኮይኑ ካብ ወርሒ ነሓሰ ክጅምር ውጥን ወጺእዎ ዝነበረ ውድድር እዩ። እንተኾነ ፊፋን ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳን ነቲ ውድድር ኣፍልጦ ከም ዘይህብዎን እቶም ምስ ጋንታታቶም ብምዃን ኣብዚ ውድድር ዝሳተፉ ተጻወትቲ ምስ ሃገራዊት ጋንትኦምን ኣብ ዋንጫ ዓለምን ካብ ምስታፍ ክኽልክሉዎም ከም ዝኽእሉ ኣፍሊጦም። ነቲ ውድድር ዝሰርዑ ኣካላት ብወገኖም ንኹሉ ከም ዝጥዕም ገይሮም ዳግማይ ከም ዝሰርዕዎ ኣፍሊጦም ኣለዉ። ማንቸስተር ሲትን ሊቨርፑልን ኣብቲ ውድድር ከም ዘይሳተፋ ብወግዒ ከፍልጣ እንከለዋ: ማንቸስተር ዩናይትድ ብወገና \"ካብ ደገፍትናን መንግስትን ዝመጽኣና ርእይቶን ካብ መሻርኽትና ዝምጽኣና ሓሳባትን ብምስማዕ ኣብቲ ውድድር ንምስታፋ ዘንቀልናዮ ሓሳብ ኣቋሪጽናዮ ኣለና\" ኢላ። ኣርሰናል'ውን ንደገፍታ ብቅሉዕ ደብዳበ \"ጌጋ ፈጺምና ኢና\" ድሕሪ ምባል ካብ ደገፍቶምን ማሕበረሰብ ዓለምን ዝመጽኦም ርእይቶ ኣኮማሲዖም ካብቲ ውድድር ክወጽኡ ከም ዝወሰኑ ገሊጻ። ኣቦ መንበር ክለብ ቶተንሃም ዳንኤል ለቪ ብወገኑ እታ ክለብ ኣብቲ ውድድር ንክትሳተፍ ዝቐረበላ ዕድመ ምቕባላ ከም ዘጠዓሶ ክገልጽ እንከሎ፡ ቼልሲ'ውን ካብቲ ውድድር ከም ዘንሰሓበት ዝገልጽ ወግዓዊ ደብዳበ ናብቶም ኣዳለውቲ እቲ ውድድር ከም ዝልኣኸት ኣፍሊጣ። ፕረዚደንት ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ኣሌክሳንደር ሰርፈሪን ሽዱሽቲኤን ክላባት ዓዲ እንግሊዝ ካብቲ ኣፍለጦ ዘይተውሃቦ ሱፐር ሊግ ኣውሮጳ ምንስሓበን ከም ዘሐጎሶ ገሊጹ። ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብርጣንያ ቦሪስ ጆንሰን'ውን ብትዊተር ብውሳነ እተን ክለባት ከም ዝተሓጎሰ ብምግላጽ \"ቅኑዕ ውሳነ'ዩ\" ኢልዎ ኣሎ። ብጀካ እዘን ሕጂ ኣንሳሒበን ዘለዋ ሽዱሽተ ክለባት ዓዲ እንግሊዝ፡ ካብ ስጳኛ ኣትሌቲኮ ማድሪድ፣ ባርሴሎናን ሪያል ማድሪድን፤ ካብ ዓዲ ጣልያን ኤሲ ሚላን፣ ኢንተር ሚላንን ጂቬንቱስን ኣብቲ ውድድር ክሳተፋ ምዃነን ዘፍለጣ ዓበይቲ ክላባት ኣውሮጳ እየን። ዓበይቲ ክልባት ኣውሮጳ ኣብቲ ብማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዓለምን ኣውሮጳን ኣፍልጦ ዘይተውሃቦ ሱፐር ሊግ ኣውሮጳ ክሳተፋ ምውሳነን ብደገፍተን፡ መንግስታትን ማሕበረሰብ ኩዕሶ እግርን ኩነኔ ክበጽሕን ጸኒሑ እዩ። ኣስታት 1,000 ዝኾኑ ደገፍቲ ቼልሲ፡ ብሰሉስ ቼልሲ ምስ ብራይተን ኣብ ዘካየደቶ ግጥም እቲ ጸወታ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ኣፍደገ ሜዳ ቸልሲ ብምዃን ተቓውምኦም ኣስሚዖም ነይሮም።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/56817370"} {"headline":"ሓያል ፍቕሪ ኩዕሶ ዘለዎም ደገፍቲ ንሓደገኛ ጭንቀት ይቃልዑ - ተመራመርቲ","content":"ልዑል ስምዒት ኩዕሶ እግሪ ዘለዎም ደገፍቲ፡ ዝድግፉወን ጋንታታት እንትጻወታ ንሕማም ልቢ ከቃልዕ ዝኽእል ልዑል ጭንቀት ከምዘጋጥሞም መጽናዕቲ ሓቢሩ። እቲ ብኦክስፎርድ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ እቶም ኣብ ዋንጫ ዓለም 2014 ፡ ብራዚል ብ ጀርመን እንትትሰዓር ዝነበሩ ደገፍቲ ብራዚል፡ ካብ ኣፎም ምራቕ ብምውሳድ ምርመራ ኣካይዱ። ኣብቲ ብራዚል 7 ን 1 ዝተስዓረተሉ ጸዋታ፡ ኣብ ምራቕ እቶም ደገፍቲ ዝነበረ መጠን ኮርቲሶል ዝተብሃለ ሆርሞን፡ አዐርዩ ወሲኹ ነይሩ። እዚ ድማ ጸቕጢ ደምን ኣብ ልቢ ዘሎ ምስሕሓብን ብምውሳኽ ንሓደጋ ዘቃልዕ እዩ። ዋላ'ኳ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ንላዕሊ ምስ ዝድግፍወን ጋንታታት ዝበለጸ ቅርበት ከም ዘለዎም ዝግለጽ እንተኾነ፡ ኣብቲ ዝተረኸበ መጠን ጭንቀት ግን ተመሳሳሊ እዩ። ተመራማሪት ኣብ ኦክስፎርድ ዶክተር ማርታ፡ \"ምስ ዝድግፍዋ ጋንታ ልዑል ዝምድና ዘለዎምን ምስ ጋንተኦም ሓደ ከምዝኾኑ ዝስመዖምን ደገፍቲ፡ እታ ጋንታ እንትትጻወት፡ ኣብ ዓሚቕ ጭንቀት ይጥሕሉ'' ትብል። ''ሓሓሊፎም ዝድግፉ እውን ጭንቀት የጋጥሞም እዩ፤ ሓያል ዝበሃል ግን ኣይኮነን\" ክትብል ወሲሓ ሓቢራ። ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ልዑል መጠን ኮርቲሶል፡ ምጭምዳድ ትቦታት ደም፣ ልዑል ጸቕጢ ደም፣ ደኺሙ ንዝጸንሐ ልቢ ድማ ብቐሉሉ ብምጉዳእ ንሓደጋ የቃልዕ። ብተወሳኺ ልዑል መጠን ኮርቲሶም፡ ሰባት ኣብ ሓደጋ ከምዘለዉ ክስመዖም ይገብር እዩ። ኣብ ደገፍቲ ጋንታታት ይኹን ሃገራውያን ጋንታታት፡ ኣብ ወሰንቲ ግጥማት፡ ኣብ ደገፍቲ ዘጋጥም መጠን ጸገም ልቢ ከምዝውስኽ ቅድም ክብል ዝተኻየደ መጽናዕቲ የመልክት። ኣብቲ ኦክስፎርድ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ኣብ ሰለስተ ግጥማት ዋንጫ ዓለም፡ ኣብ ናይ 40 ደገፍቲ ምራቕ ቅድምን ድሕርን ጸወታ ምርመራ ዝገበረ ኮይኑ፡ እቲ ኣዝዩ ዘጨንቕ ፍርቂ ፍጻመ ምዃኑ የመላኽት። ኣብ ስታድዮማት ዝበርህ መብራህቲ ድብዝዝ ክብልን ድምጺ ዝኽፈቱ ሙዚቃታት እውን ክቕነስ ከምዘለዎ እትገልጽ ዶክተር ኒውሶን፡ ጋንታታት ድማ ጭንቀት ከጋጥሞም ንዝኽእል ቀንዲ ገደፍተን ናይ ልቢ ምርመራ ወይ ካሊእ ጥዕናዊ ስጉምቲታት ክወስዳ ከምዘለወን ትሕብር።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51232734"} {"headline":"ዊምበልደን 2019፡ ሰሬና ዊልያምስ ሜዳ መጻወቲ ተኒስ ብምብልሻዋ ተቐጺዓ","content":"ሰሬና ዊልያምስ ኣብ ቅድመ ምድላው ውድድር ንሓደ ካብ ሜዳ መጻወቲ ተኒስ ዊንበልደን ብራኬት ብምብልሻዋ 10,000 ዶላር ተቐጺዓ። እቲ ፍጻሜ ኣብ ግዜ ልምምድ ንምድላው ናይዚ ዓመት ውድድር ተኒስ እንግሊዝ ኢዩ ኣጋጢሙ። ሸውዓት ግዜ ቻምፒዮን ዊምበልደን ዝኾነት ጓል 37 ሰረና ዊልያምስ ናይ 2019 ሻድሻይ ውድድራ ኢያ ተካይድ ዘላ። ብሰኑይ ንካርላ ሱዋረዝ ናቫሮ ብምስዓራ ናብ ርብዒ ፍጻሜ ሰጊራ ኣላ። ኢጣልያዊ ፋቢዮ ፎኒኒ \"ዊምበልደን ክድብደብ ኣለዎ\" ድሕሪ ምባሉ 3000 ዶላር ተቐጺዑ ነይሩ። እቲ ወዲ 32 ኢጣልያዊ ብቀዳም ኣብ ሳልሳይ ዙር ብተንይስ ሳንግሪን ድሕሪ ምርትዑ ኢዩ ነቲ ዘረባ ዝደርጎሖ። ብብሉጽነት ኣብ መበል 11 ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ ኣሜሪካዊት ሰሬና፡ ኣብዚ ዓመት ብመጉዳእቲ ብርኪ ትሽገር ከም ዘላ ኢዩ ዝግለጽ። ንናይ ዓለም ቀዳመይቲ ተጻዋቲት ኣሽሊ ባርቲ ድሕሪ ምስዓራ ኣብ ናይ መወዳእታ ሸሞንተ ምስ ጓል ሃገራ ኣሊሰን ሪስከ ክትፋጠጥ ኢያ።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48918419"} {"headline":"ምሕደራ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ኣብ ሕንፍሽፍሽ ይኣቱ","content":"ምምሕዳር ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ [ካፍ] ፋሕብትን ኣትዩዎ ከምዘሎ ጸብጻብ ናይ ሕሳብ መርመራ [ኦዲት] ኣርእዩ። ውጺኢት ናይ'ቲ ዝተገብረ ጸብጻብ ሕሳባት፣ ምሕደራን ክፍሊታትን ናይ ካፍ ኣብ ሕቶ ምልክት እትዩ ይርከብ። እቲ ብፕራይስዎተርሃውስ ኩፐርስ (Pricewaterhouse Coopers (PwC) ዝተገብረ ጸብጸብ ነዞም ዝስዕቡ ጉድለታት ረኺቡ፡ ካልእ ተወሳኺ እቲ ናይ ጸብጻብ ትካል ዝረኸቦ ነገር ድማ ካፍ ፕረዚደንት ኣሕመድን ተጸዋዒኡ ሎይክ ጀራንድን ኣብ ምሃብ'ቲ ኮንትራት ነቲ ፈረንሳዊ ኩባንያ ዝኾነ ታክቲካል ስቲል \"ዝተጻወትዎ ተራ\" እዩ። እቲ ኩባንያ ምስ ካፍ ዝነበሮ ገንዘባዊ ውዕላት ድማ \"ልዑል ጥርጣረ ዘሕድሩ`ዮም\" ተባሂሎም ተገሊጾም። ሚስተር ኣሕመድ ኣብ`ዚ ጉዳይ`ዚ ኣበሳ ከምዘይብሉ ድሮ ብትሪ ክሒዱ'ሎ። እቲ ናይ ካፍ ንመብዛሕትኡ ክፍሊት ብጥረ ገንዘብ ናይ ምኽፋል ባህሪ ነቲ ረቂቕ ናይ ሕሳብ መርመራ ሓላሊኽዎ`ዩ። እቲ መርመራ ኣብ መላእ ካፍ ዓቢ ጽገና ክግበር'ውን ሓሳብ ኣቕሪቡ። መሳርዕ ናይ'ቲ ውድብ ካብ መጠን ንላዕሊ ኣብ ውሳነታት ናይ'ቲ ፈጻሚ ኮሚቴ'ዩ ዝምርኮስ ድማ ተባሂሉ። እቲ ኮሚቴ \"ኣብ ሰለሰተ ወርሒ ሓንሳብ ጥራይ ስለዝእከብ፡ ኣገደስቲ ውሳነታት ኣብ ምሕላፍ ምድንጓያት ይፈጥን ንኣካየድቲ ክፍልታት ድማ ወሰንቲ ዝኾኑ ስጉምትታት ካብ ምውሳድ ይዕንቅፎም\"። ብተወሳኺ፡ ጉድለት ግልጽነት ኣብ ውድባዊ ቅርጺ'ውን ነተን ክፍልታት \"ውሑድ ቁጽሪ ሰራሕተኛታት\" ክህልወንን እቶም ዘለዉ ሰራሕተኛታት ድማ \"ካብ ዕቕሞም ንላዕሊ ክሰርሑ\" \"ሓፈሻዊ ሞራላዊ ውድቀት\" ድማ ኣስዒቡ። እቲ ቅድሑ ብቢቢሲ ተራእዩ ዘሎ ውጽኢት ምስጢራዊ መርመራ ሕሳብ፡ ኣካል ናይ'ቲ ዘይልሙድ ውሳነ ፊፋ፡ ምልኣኽ ዋና ጸሓፊቱ ናብ ካፍ ስዒቡ'ዩ መጺኡ። ንሳ ኣሰራርሓ ካፍ ንምምሕያሽ'ያ ተላኢኻ። ኣብ ፈለማ ለካቲት ተልእኾኣ ኣብ ዝዛዘመትሉ እዋን፡ ፋጥማ ሳሞራ ውጽኢት ተልእኾኣ ንሓለፍቲ ካፍ ኣረኪባ፡ ንሳቶም ድማ ንምኽሪ ናይ'ቲ ብፊፋን ካፍን ዝቖመ ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ከተግብርዎ ምዃኖም ሓቢሮም ኣለዉ። ገለ ካብ'ቲ ምኽሪ ድማ ዓቢይ ቅርጻዊ ምትዕርራይ ካፍ፣ ምድራት እዋን ስልጣን ፕረዚደንትን ኣባላት ፈጻሚት ኮሚቴን፡ ምትእትታው ሕገ-ደንቢ ስነ-ምግባርን የጠቓልል። እቶም ኣባላት ፈጻሚት ኮሜቴ ዓርቢ ኣብ ዝጋብእሉ እዋን መሰረታውያን ለውጥታት ከተኣታትዉ ድዮም ኣየተኣኣታትዉን ግን ብሕጂ ዝረአ'ዩ። ኣብ'ዚ ሰሙን'ዚ ዝወጸ መግለጺ ግን እቲ ቅኑዕ ድምጺ ኣስሚዑ። \"እዋኑ ዝሓለፎ ናይ ልዕሊ 30 ዓመት ኣቡናዊ\/ኣባታዊ [ብደቂ ተባዕትዮ ዝተዓብለለ] ምሕደራ ኣብ ኩሉ ጽፍሒታት መስርሕ ኣገደስቲ ሕጽረታት ኣስዒቡ'ዩ\" ኢሉ ካፍ። \"እቶም ዝለዓሉ ዓለም-ለኻውያን መዓቀንታት ከነተኣታቱ ኢና\" ድማ ኢሉ። እቲ ወንጃሊ\/ኮናኒ ጸብጻብ ተወሳኺ መርመራ ዘድልዮም ሓያሎ ፊናንሳዊ ውዕላት ኣጉሊሑ ኣውጺኡ'ሎ። እቲ ወዲ 60 ዓመት ፕረዚደንት ካፍ ዝኾነ ማዳጋስካራዊ ኣሕመድ፡ ሓደ ካብ'ቶም ኣብ ትሕቲ ክትትል ዘለዉ ሰባት'ዩ። ሚስተር ኣሕመድ ካብ መጋቢት 2017 ኣትሒዙ ፕረዚደንት ካፍ ኮይኑ የገልግል ኣሎ። \"ብመሰረት ብኢመይል ዝተገብሩ ርክባት፡ ታክቲካል ስቲል ብመንገዲ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት'ዩ ምስ ካፍ ርክብ ዝጀመረ ይመስል\" ፕራይስዎተርኩፐርስ ተራ ኣሕመድ ኣብ'ቲ ኣካታዒ ውሳነ ምቑጻር ታክቲካል ስቲል ክምርመር ኣለዎ ኢሉ መኺሩ'ሎ። ኣብ ታሕሳስ 2017 ምስ ታክቲካል ስቲል ዝዓበየ ናይ ሓደ ሚልዮን ዶላር ንምኽታም ክጥዕሞ ምእንቲ ኣቐዲሙ ምስ ኣቕራቢ ክዳውንቲ ስፖርት ፑማ ተኸቲሙ ዝነበረ ናይ 250 ሽሕ ዶላር ውዕል ሰሪዙ እንተኾይኑ ቅድሚ ሕጂ ብቢቢሲ ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ፡ እቲ ጠቐነ \"ሓሶት፣ እኩይ\/ተንኮለኛ፣ ሽም ምጥፋእን ኣካል ናይ ሕነ ምፍዳይን'ዩ\" ኢሉ ኣሕመድ። ኣሕመድ ነቲ ወግዓዊ ክሲ ናብ ፊፋ ዘቕረበ ዋና ንጸሓፊኡ ዓምር ፋሕሚ ነቲ ዛንታ ብምብታን ጠቂንዎ። ካፍ ፊናንስ ዳይረክተር መሓመድ ኣል ሸረይ'ውን ነቲ ጉዳይ ናብ ፊፋ ኣቕሪብዎ ነይሩ። ጸኒሑ ግን ክልቲኦም ኣምር ፋሕሚን መሓመድ ኣል ሸረይን ካብ ስራሕ ተባሪሮም። \"ብመሰረት'ቶም ዝተመርመሩ ናይ ጽሑፍ ርክባት፡ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ካፍ ታክቲካል ስቲል ምስ ዘቕረቦ ሓሳብ ኣብ ምስምማዕ ብቐጥታ ዝተሳተፈ ይመስል፡ ጸኒሑ ድማ ኣብ ኣተሓሕዛ'ቲ ውዕል ክፋሊ ዕድጊ፣ ዕዳጋን ፊናንስን ንዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ክፍልታት ካፍ ኣየሳተፈን\" ኢሉ'ቲ ውጺኢት መርመራ ናይ ፕራይስዎተርኩፐርስ። ታክቲካል ስቲል ሮማልድ ሰይሌር'ዩ ዝካየድ፡ ሰይሌር ድማ ናይ ነዊሕ እዋን ዓርኪ ወኪል ኣሕመድ ዝኾነ ሎይክ ጀራንድ'ዩ። መርበብ ሓበሬታ ታክቲካል ስቲል ንተራኣ ኣብ ምስራሕን ምዕዳልን ኣቑሑት ጂም ኣጉሊሓ'ላ ኣብ እዋን'ቲ ውዕል ካፍ ንታክቲካል ስቲልን ጸኒሑ ድማ ምስኡ ምትእስሳር ምስ ዘለዎ ኣብ ኢማራት ዝመደበሩ ኤ ፕሮ ኮንሳልቲን ዝገበሮ ሓያሎ ክፍሊታት ግልጺ ብዘይኮነ ምኽንያት ተመሊሱ። \"እቶም ካብ ታክቲካል ስቲልን ኤስ ፕሮ ኮንሳልቲንን ዝተመልሱ ክፍሊታት ዓቢ ጥርጣረ ዘምጽኡ'ዮም፡ ምኽንያቱ ኣብ መንጎ'ተን ኣብ'ቲ ውዕል ዘልዋ ኣካላት ዝተገብረ ናይ ጉቦ ወይ ቀረጽ ናይ ዘይምኽፋል ውዕል ክመስል ይኽእል'ዩ\" ኢሉ'ቲ ጸብጻብ መርመራ። ኣብ ሰነ 2019፡ ኣሕመድ ብሰብ መዚ ጸረ-ብልሽውና ፈረንሳይ ኣብ ፓሪስ ተታሒዙ ተመርሚሪ ነይሩ። ጸኒሑ ግም ብዘይ ክሲ ተለቒቑ። እቲ ንፕረሲደንትን ሰለስተ ኣባላት ፈጻሚት ኮሚቴ ዝሓቖፈ ህጹጽ [ኢመርጀንሲ] ኮሚቴ ካፍ'ውን ክዕጾ ፕራይስዎተርኩፐርስ መኺሩ፡ ምኽንያቱ እዚ ኮሚቴ'ዚ ንፈጻሚት ኮሚቴ ዘሊሉ ውሳነታት ከቀላጥፍ ስልጣን ኣለዎ። \"ብመሰረት'ቶም ዝተረኽቡ ሰነዳት፡ እቶም ውሳነታት ናይ'ቲ ህጹጽ ኮሚቴ ግልጺ ብዘይኮነ መንገዲ ዝጸደቑ ይመስሉ\" ኢሉ'ቲ ጸብጻብ። እቶም መርመርቲ [ኦዲተራት] ናይ ጉዕዞ ወጻኢታት ብዝምልከት \"ሓያሎ ኣብ ተመሳሳሊ እዋናት\/ዕለታት ዝተፈጸሙ ክፍሊታት\" ተዓዚቦም። ወጻኢታት ብዝምልከት፡ እቲ ጸብጻብ'ኳ ስም ኣሕመድ እተዘይረቑሐ፡ እቲ ፕረሲደንት ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሓንቲ ሃገር እንከሎ ኣብ ክልተ ዝተፈላለያ ሃገራት ከምዝነበር መሲሉ ክልተ ናይ ወጻኢታት ክፍሊታት ከምዝተቐበለ ቢቢሲ ዓሚ ኣቃሊሑ ነይሩ። እቲ ናይ ሕሳብ መርመራ ብመሰረት \"መምርሒ ስነ-ምግባር ፊፋ' ብምፍጻሙ፡ ኣብ ንዕሊ'ቲ ማዳጋስካራዊ እንታይ ዓይነት ስጉምቲ ከምዝውሰድ ጸኒሕካ ዝርአ'ዩ ዝኸውን። \"ዓቢ መጠን ዘለዎም ክፍሊታት ብጥረ ገንዘብ ተኸፊሎም። ክፍሊት ወጻኢታት ዋኒን ብኸምዚ ዓይነት ብጥረ ገንዘብ እንተተፈጺሙ እቲ ክፍሊት ሕጋዊ ይኹን ኣይኹን ኣብ እዋን መርመራ [ኦዲት] ነቲ ጉድለታት ከተጻርዮ ኣሸጋሪ ይኸውን\"። ኣካል ናይ መርመራኡ፡ ፕራይስዎተርኩፐርስ ብፊፋ ንምዕባለ ኩዕሶ እግሪ ንዝሃቦ 10 ሚሊዮን ዶላር ጥራይ'ዩ መርሚሩ። እንተኾነ ግን ሓሙሽተ ካብ 40 ክፍሊታት ጥራይ \"ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ይመስል\" ኢሉ'ቲ ጸብጻብ። እቲ ዝተረፈ 8.3 ሚሊዮን ዶላር \"ሒደት ወይ'ውን ፈጺሙ ደጋፊ ሰነዳት ኣይነበሮን\" ወይ ድማ ክፍሊታት \"ዘይንቡር\/ልዑል ናይ ክሳራ ሓደጋ\" ተባሂሎም። ኣብ ገለ ገለ ጉዳያት፡ ንኣብነት፡ ናይ 0.5 ሚሊዮን ዶላር ክፍሊት ነቲ ንግጥማት ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ ሴካፋ ዘመሓድር ኣካል ተዋሂቡ፡ እቲ ዝተዋህበ ሓበሬታ ግን ኣብ ቡሩንዲ ንዝተኻየደ ናይ ትሕቲ 17 ዓመት ግጥማት ንምድላው ከምዝቀጸ ጥራይ'ዩ ዝሕብር። እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ነቲ ንግጥማት ደቡባዊ ኣፍሪቃ ዘሰናድእ ኮሳፋ ናይ ትሕቲ 20 ዓመት ግጥማት ንምድላው 400 ሚእቲ ሽሕ ዶላር ተመዲብሉ። ኣብ'ቲ ካፍ ን54 ኣባል ሃገራት ዝህቦ ዓመታዊ ናይ 200 ሽሕ ዶላር'ውን እንተኾነ እቲ ዛንታ ተመሳሳሊ'ዩ። ካብ'ቶም ዝተመርመሩ ልዑል ሓደጋ ክሳራ ዝተባህሉ 66 ክፍሊታት፡ ኣስታት 11 ሚሊዮን ዶላር ዘውጽኡ 48 ክፍሊታት ጥራይ ሰነድ ነይርዎም። ዝያዳ ዘጨንቑ ሰለስት ክፍሊታት ካብ'ኣቶም ነናይ 100,125 ዶላር ኣብ ረብሓ ፈደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ላይበሪያ ውዒሉ ዝተባህለ ግንዖ፡ እቲ ሓደ ክፍሊት ናብ ኤውሮጳዊት ሃገር ኤስቶኒያ፡ እቶም ክልተ ድማ ናብ ሓንቲ ኣብ ፖላንድ እትርከብ ምስጢራዊት ኩባኒያ ተላኢኾም። እዛ ኩባኒያ ኣብ 2019 ቅድሚ ምጥፍኣ፡ ሮሰንባም ኮንተምፖራሪ ተባሂላ ትፍለጥ ነይራ። እቲ ገንዘብ ንምንታይ ናብኡ ተላኢኹ ንጹር ኣይኮነን። ፕራይስዎተርኩፐርስ ግን ነቲ ገንዘብ ንምምላስን \"ውሽጣዊ ሽጣራታት ናይ ካፍ እንተነይርዎ ንምፍላጥን\" ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ ኢሉ። ዋላ ንሰራሕተኛታት ዝወሃብ ክፍሊታት'ውን ብጥረ ገንዘብ'ዩ ዝኽፈል። ኣብ ታሕሳስ 2017 ካብ ባንኪ ዝወጸ 350 ሽሕ ዶላር \"ናይ ደሞዝ ወጻኢታት\" ጥራይ ዝብል መግለጺ ተዋሂብዎ። ሰለስተ ፕራይስዎተርኩፐርስ ክወሃብዎ ካብ ዝጠለቦም 25 ሓበሬታታት፡ ኣይተዋህብዎን፡ እቶም ክልተ \"ሞቕሽሻት\" ኣቲ ሓደ ድማ \"ናይ መገሻ ወጻኢታት\" ተባሂሎም ተነጊሮሞ። ኣባላት ፈጻሚት ኮሚቴ ንስራሕ ካፍ ይዕንቅፉ ደኣ'ምበር ኣይሕግዙን'ዮም ተባሂሎም \"መብዛሕትኡ ምምሕዳራዊ ወጻኢታት ንኣባላት ፈጻሚት ኮሚቴ ዝተዋህቡ ክፍሊታትን ካሕሳ ወጻኢታትን'ዮም\" ንኣባላት'ታ ከም ናይ'ቲ ውድብ ቦርድ ኮይና እተገልግል ፈጻሚት ኮሚቴ ናይ ወጻኢታት ካሕሳ ተሃሂሉ ዝወሃብ ገንዘብ'ውን ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ'ዩ። \"ኣባላት ፈጻሚት ኮሚቴ - ኩሎም ብሓባር ወይ ብኸፊል (ንኣብነት ምስ ኮሚቴ ካሕሳ ኮይኖም) ደሞዛት፣ ሞቕሽሻት፣ ናይ ስንብት ረብሓታት፣ ናይ መድሕን ኣበልን ኣባላት ይእምሙን የጽድቑን። እዚ ድማ ባዕላዊ ረብሓ የስዕብ ማለት'ዩ\"። ሰላሳን ሓሙሽተን ንኣባላት ፈጻሚት ኮሚቴ ዝተኸፍሉ ክፍሊታት ተመርሚሮም፡ ዋላ ሓደ ካብ'ኣቶም ድማ \"ንሕጋውነት'ቶም ክፍሊታት ዘርእዩ ሰነዳት\" የብሎምን። ኣብ 2016፡ ኣብ እዋን ፕረሲደንትነት ሙሳ ሓያቱ ማለት'ዩ፡ 36,150 ዶላር ንኣንስቲ ኣባላት ፈጻሚት ኮሚቴ ተዋሂቡ፡ ኣንስቶም ክኽፈለን ከምዘለዎ ዘርእዩ ሰነዳት ግን ከቕርቡ ኣይከኣሉን። ዋላ ሓደ ናይ ድጋፍ ሰነድ ግን ኣይቀረበሎምን\" ኢሉ'ቲ ጸብጻብ። እቲ ንስራሕ ኣብ ዝዋፈርሉ እዋን ንነፍሲ ወከፎም ዝኽፈሎም 450 ዶላር መዓልታዊ ኣበልን፡ ብውሑዱ 60,000 ዶላር ዓመታዊ ሞቕሽሽን ብዘየገድስ፡ ኣባላት ፈጻሚት ኮሚቴ ንመዓልታዊ ስራሕ ካፍ ከምዝዕንቅፉ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ። እዞም ዝተጠቕሱ ጸገማት ብዘየገድስ፡ ካፍ ዘብለጭልጭ ጽምብል ምዕዳል ህያባት ሎም ዘመን ኣብ ግብጺ ኣካይዱ \"ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ንምምዕባል ከም ዘመሓድር ኣካል ካፍ ንናይ ደገ ይኹኑ ናይ ውሽጢ ወነንቲ ብርኩ ብኣድማዕነት ክኣሊ ይግብኦ። ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ሰብ ብርኪ ናይ ንፈሲ ወከፍ ክፍሊ በዓል መን ምዃኖም ዝፍለጥ ነገር የለን\"። ንጹር መሳልል ማዕረግ ኣብ ዘይብሉን ውሳነታት ኣብ ዝድንጉይሉን ኩነታት፡ መስርሕ ምሕደራ ካፍ ኣበር-ኣልቦ'ዩ ክትብሎ ካብ እትኽእል ኩነታት ኣዝዩ ርሒቑ ይርከብ። ሰራሕተኛታቱ ድማ \"ሞራል-ኣልቦ\" እዮም ዝበሃሉ። \"ሰራሕተኛታት ኣብ ጉዳይ ወሰንቲ ውሳነታት ኣገባብ ዘለዎ መስርሕ ርክባት የለን ይብሉ። እዚ ድማ ዓቢ ዘይንጽሩነትን ስምዒት ተነጽሎን የስዕብ\" ኢሉ'ቲ ጸብጻብ። \"ሰራሕተኛታት ቅርጺ ናይ'ቲ ውድብ ኣይፈልጥዎን'ዮም። ብጽሒት ስራሕን ሓላፍነትን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰራሕተኛ ብግቡእ ኣይግለጽን ኣይፍለጥን\"። ካብ ሕጽረት መሪሕነት ጀሚርካ ዘይስሩዕ ኣኼባታት ኮሚቴታት፡ ክሳብ ዘይምህላው ምዱብ ክፍሊ ኣይ ቲ [ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ]፡ እቲ ዝርዝር ናይ'ቶም ድኽመታት መወዳእታ የብሉን። ብተወሳኺ፡ ሰዓታት ምእታው [ኣቴንዳንስ] ሰራሕተኛታት፣ ክፍሊት ስራሕ ትርፊ ሰዓት፣ ዕረፍቲ [ቫኬሽን] ክትትል ኣይግበረሎምን ኣይምዝገቡን ድማ ይበሃል። እዚ ከም'ዚ'ሉ እንከሎ፡ ዓበይቲ ሰነዳት ፊናንስ ብቐሊሉ ይጠፍኡ፡ ፕራይስዎተርኩፐርስ ድማ ካብ 2014 ክሳብ 2019 ንዝነበር እዋን ዝሽፍኑ 20 ሚእታዊት ናይ'ቶም ዝድለዩ ሰነዳት ከምዘይተዋህብዎ ይገልጽ። \"ዛጊት ኣብ'ዘን ምስ ፊፋ ኮይንና ብሽርክነት ዝሰራሕናለን ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሓያሎ ሰፋሕቲ ናይ ምሕደራ ስጉምትታት ተተግቢሮም ኣለዉ፡\" ኢሉ ካፍ ዘውጽኦ መግለጺ። \"ነቲ ናይ 2020-21 መራሕ ጎደና [ሮድ ማፕ] ንምጽዳቕ፡ እታ ፈጻሚት ኮሚቴ ን14 ለካቲት ዝጋባእ ዋዕላ ወጢና'ላ። ንኹሎም'ቶም ዝተዋህቡ ምኽርታት ድማ ኣብ ግምት ከእቱ'ዩ\"። እቲ መራሕ ጎደና ነታ ፈጻሚት ኮሚቴ ካብ ሓልፍነት ምሕደራ ከምዝኣልያ ኣተንቢሁ ምህላዉ ግን ነዊሕ ጉዕዞ ክኽየድ ምዃኑ ተስፋ ይህብ።","category":"ፅዋዕ\/ዋንጫ ዓለም","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51527615"} {"headline":"ቴክኖሎጂ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተስኣነ መድሃኒት ዘተኣላልሽ መተግበሪ","content":"ቤዛዊት ብዕድመ ዝደፍኣ ኣዲኣ ብሕማም ደም ምርጋእ ዝሳቐያ እየን። ስለ ዝኾነ ድማ ሪቫሮክሳባን ዝበሃል መድሓኒት ከየቋረፃ ክወስዳ ነይርወን፡፡ እቲ መድሃኒት ክውዳእ ክብል ከምቲ ልሙድ ቤዛዊት ክትገዝእ ትወፅእ። ካልእ ግዘ ብቐሊሉ ትረኽቦ ዝነበረት መድሓኒት ግን ኣሰሩ የለን። ኣብ ከምዚ ቦታ ኣሎ፤ ኣብቲ ይርከብ እዩ እንተበልዋ እውን ወይከ። ቀይሕ መስቀል ኪዲ ተባሂላ ኣብኡ እውን የለን። ኣብ ከነማ ተሰሊፋ እውን ኣይረኸበትን። ጕሓት ወፂኣ ምሸት ተመሊሳ፤ እቲ መድሓኒት ግን ኣይተረኽበን። ብደላላ እንተፈተነት እውን ኣይተሳኽዐን። ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኣዝማድ ኣሸጊራ ከይተልእኽ ድማ መድሃኒት ናብ ሃገር ንምእታው ሕልኽልኽ ዝበለ እዩ። ድሓር ግና ብሰባሰብ ካብ ኬንያ ናብ ኢትዮጵያ እትመፅእ ሰበይቲ ሒዛትላ ምስ መጽአት ህይወት ኣድኣ ክተትርፍ ክኢላ። ኣብ ቀረባ እዋን ብሰንኪ ዋሕዲ ቀረብ ሸርፊ ወጻኢ [ዶላር] ኣብታ ሃገር ዝተፈላለዩ መድሓታት ክጠፍኡ ጀሚሮም ኣለዉ። እቶም ዝተስኣኑ ጥራሕ ዘይኮነስ እቶም ዘለዉ እውን ኣበይ ከም ዝርከቡ ምፍላጥ ግዘን ጉልበትን ይሓትት እዩ። እቲ ትደልይዎ መድሓኒት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከቡ ኣሽሓት ፋርማሲታት ኣብ ሓዲኡ ኰፍ ኢሉ ይህሉ። ግን ኣብ ኩለን ፋርማሲ ዘይርካ ከመይ ገይርካ ይክኣል? ካብዚ ፀገም ተበጊሱ ሓደ ትካል ጥዕና ፍታሕ ክረክብ ፈተነ ጀሚሩ። መድሓኒታት ደልዩ ዝረክብ ዌብሳይት ድማ ምሂዙ። እቲ ዌብሳይት መተግበሪ ሞባይል ንምስራሕ መበገሲ ኮይኑ። እቲ መተግበሪ ሞባይል ድማ ማእከል ስልኪ ኣስዒቡ። መድሓኒታት ኣብ ሓደ ለቖታ ገይርና ህዝቢ ካብ ገልታዕታዕ ዘይነድሕን ዝብል እዚ ትካል ጥዕና መን እዩ? ‹‹ጤናዎ›› መተግበሪ ሞባይል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እዩ ኣብ ሸራተን አዲስ ተመሪቑ፡፡ እቲ መተግበሪ ዝፈጠረ ትካል ኬ.ኤም.ኤስ ሄልዝ ትሬዲንግ ይበሃል፡፡ ወነንቲ ብርኪ [ኣክሲዮን] ድማ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ካናዳ፣ እንግሊዝን አሜሪካን ዝርከቡ ትውልደ ኢትዮያዊያን እዮም፡፡ ነቲ ሓሳብ ዘመንጨወን መስራቲ እቲ ትካልን ዶ\/ር ሲሳይ ኣበበ \"ተሓከምቲ ተመሊሶም መፂኦም ዝኣዘዝኩሎም መድሓኒት ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ይነግሩኒ ነይሮም\" ይብል፡፡ እዚ ኩነታት ክደጋገሞ እንተሎ እዚ መፍትሒ ዝበሎ ሓሳብ ክመጽኣሉ መበገሲ ኮይኑ። ብሓፂሩ ዓማዊል ዝደልይዎ መድሃኒት ኣበይ ከም ዝርከብ ይጥቁም። እቲ መተግበሪ ኣሰራርሕኡ ከም ኡበርን ራይድን ዝኣመሰሉ ናይ ታክሲ መተግበሪታት ዝመሳሰል እዩ። ነቲ ዓሚል ፈለማ ኣብ ውሽጢ 500 ሜትሮ ራዲየስ ዝረከቡ ቤት መድሓኒታት የርእዮ። እታ መድሓኒት ዝደለየት ኣብ ዘላቶ ኮይና ነቲ መተግበሪ ተጠቒማ ኣብቶም ቤት መድሓኒታት ዝርከቡ ዝርዝር መድሓኒታት እናረኣየት እትደልዮ መድሓኒት ክትመርፅ የኽእላ። ዝደለየቶ መድሓኒት እንተረኺባ ድማ ዋጋ ክተወዳድርርን ከይዳ ዝደለየቶ ክትዕድግን ትኽእል። ኣሰራርሓ \"ጤናዎ መተግበሪ ቴሌፎን\" ከምዚ እዩ፡፡ \"ጉልበትን ግዘን ተገልገልቲ ከይባኽን ምግባር ክኣ ቀንዲ ድልየትና'ዩ\" ይብል ዶ\/ር ሲሳይ ኣበበ፡፡ እቲ መተግበሪ ብሞባይል ጥራሕ ዘይኮነስ ብማእከል ስልኪ ቁፅሪ 9456 እውን ኣገልግሎታት 24 ሰዓታት ይህብ። እቲ መተግበሪ ቀንዲ ተግባሩ እንታይ ዓይነት መድሓኒት ኣበይ ከም ዝርከብ ሓበሬታ ምሃብ ይኹን እምበር ጎናዊ ኣገልግሎት'ውን ኣለዎ። ንኣብነት ኣብ ናይ ውልቂ ትካላት ጥዕና ክሕከም ዝደሊ ሰብ ኣበየናይ ትካል ጥዕና መን ዝባሃል ክኢላ ከም ዘሎን መዓስ ከም ዝሰርሕን ሓበሬታ ክረክብ የኽእሎ። በዚ፡ ኣብ ዘለዎ ኮይኑ ሓኪም ክመርፅን ቆፆሮ ከትሕዝን ይኽእል ማለት እዩ። ኣብቲ መተግበሪ፡ መንነትን ተሞኩሮን ኣስታት 80 ሓኻይም ልምድን ዝምልከት ሓበሬታ ዘካትት እዩ። እቲ ቁፅሪ እናወሰኸ ከም ዝኸድ ትፅቢት ይግበር። \"ተሓከምቲ ኣየናይ ሓኪም፣ መዓስ፣ ኣበየናይ ክሊኒክ ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ ምኽሪ ምሃብ ጥራሕ ዘይኮነስ ቆፆሮ እውን ንሕዘሎም ኢና፡፡ ናብ ዝተፈላለዩ ሆስፒታላት ሪጋ ካብ ምሓዝ፣ ካብ ገልታዕታዐዕ ክድሕኑ ኢና ንፍትን ዘለና\" ይብል፡፡ ቅድም ክብል፡ ኣብ ገለ ሃገራዊ ራድዮ ተረኛታት ኣብያተ መድሃኒት ይንገሩ ነይሮም። ልክዕ ከም ትንበያ ኩነታት ኣየር ማለት እዩ። ሰባት ሃንደበት መድሓኒት እንተደልዩዎም፡ ኣዝዩ ጠቓሚ ሜላ እዩ ነይሩ። ሕዚ እዚ ኹሉ ተሪፉ እዩ። ብዝሒ እንዳ መድሃኒት ከም ፍልሖ ኣብ ዝበዝሕሉ እዋን፡ እቲ ጸገም ግን ኣይነከየን። ብዙሓት እንዳ መድሃኒት'ምበር ብዙሕ መድሓኒት ምርካብ ኣይተኽኣለን። ዶ\/ር ሲሳይ፡ ትካሉ ነዚ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ መድሃኒት ካብ ወጻኢ ንምእታው ፍቓድ ከም ዝወሰደ ንቢቢሲ ይዛረብ። ሕዚ ሰባት ዘይረኽብዎም መድሃኒታት ሓበሬታ ምስ ዝህብዎም፡ ንምምጻእ ኣብ ሙሉእ ምድላው ከም ዘለዉ ወሲኹ ሓቢሩ። ኣብ ሚኒስትር ጥዕና፡ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ኣቶ ገመቺስ መልካሙ፡ እዚ ሓድሽ መተግበሪ ግዘን ጉልበትን ተገልገልቲ ከም ዝንኪ ኣብ እዋን ምረቓ ስነ ስርዓት ተረኺቡ ገሊጹ ነይሩ። ከም መንግስቲ፡ ኣድላይ ምትሕብባራት ከም ዝገብር'ውን ቃል ኣትዩ። ዶ\/ር ሲሳይ ዛጊድ ጽቡቕ ተስፋ ዝህብ ምንቅስቓስ ከም ዘሎን፡ ባህሪያት እቲ ትካል ድማ ናይ ውልቀ ዘፈር ጥዕናን መንግስታዊ ኣገልግሎትን ኣጣሚሩ ዝኸይድ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። እዚ ማለት፡ ምስ ሓኪም ቆጸሮ ካብ ምሓዝ ጀሚሩ ክሳብ ዋጋ መድሃኒት ምፍላጥ ዘለዎ ዘመናዊ ኣሰራርሓ ከም ዝኸውን ይትስፈው። ኣብ ቀረባ እዋን ሓደሽቲ ሓሳባት ይመጽኡ ኣለዉ። እንተኾነ ዘላቕነት የብሎምን፤ ቀልጢፎም እዮም ዝበኑ። ሓደ ካብቶም ምኽንያታት፡ እቲ ሕብረተሰብ ሓደሽቲ ሓሳባት ንምቕባል ቅሩብ ብዘይምዃኑ እዩ። በዚ መሰረት፡ 'ጤናዎ' መተግበሪ ክሳብ ክንደይ ክጓዓዝ ይኸውን ዝብል ሕቶ ይለዓል ኣሎ። ዶ\/ር ሲሳይ ሓደ ካብ ፈተናታት እዚ ምዃኑ ኣስተውዒሉ እዩ። ናብ ዲጂታል ሄልዝ ዝግበር ስግግር፡ ንቡዙሓት ሰባት ቀሊል ከም ዘይኮነ ስለ ዝተረድኡ፡ ዛጊድ ካብ ተጠቀምቲ ክፍሊት እቲ መተግበሪ ኣይሓተቱን። \" ንግዚኡ ልዕሊ 100 ዝኾነ ትካላት መድሓኒት ምሳና ሓቢሮም ክሰርሑ ተመዝጊቦም ኣለዉ። እቶም ኣብያተ መድሃኒት፡ ሓድሽ መድሃኒት ከእትዉ እንከለዉ ኾነ መድሓኒት እንትውድኡ እዋናዊ ሓበሬታ በቲ ናትና መስርሕ ኣቢሎም ነቲ ሕብረተሰብ ሓበሬታ የቐብሉ።ካልኦት'ውን ክነእምን ንፍትን ኣለና\" ኢሉ ዶ\/ር ሲሳይ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 60 ሚሊዮን ተጠቀምቲ ሞባይል'ኳ እንተሃለው ተበጻሕነት ኢንተርኔት ናይዚ ሲሶ ኣይመልእን። ርግጽ ኣብዚ እዋን፡ ብዙሓት ኣገልግሎታት ናብ ሞባይል ገጾም እናበሉ እዮም። ዝውውር ገንዘብ ካብ ወረቐት ናብ ሞባይል እናተሰጋገረ እዩ። ኮይኑ ግና፡ እምነት ህዝቢ ብቐሊሉ ዝርከብ ጸጋ ኣይኮነን፤ ግዜ ዝወስድ እዩ። ዶ\/ር ሲሳይም ድማ ነዚ ሓቂ ይቕበሎ። እቲ ናብ ዲጂታል ዝግበር ጉዕዞ ቀሊል ከም ዘይከውንን ግዜ ክወስድ ከም ዝኽእልን እዩ ዝኣምን። እዚ ኣብ ግመት ኣእትዩ እዩ፡ እቲ ትካሉ ንግዚኡ ክፍሊት ንዘይምሕታት ዝወሰነ። ምስ ጥዕና ዝዛመዱ ሰነዳት ሰባት ኣዝዮም ጥንቃቐ ዝሓቱ ምዃኖም ዶ\/ር ሲሳይ ይዛረብ። ነዚ እዩ ድማ ከምቲ ኣብ ዓውዲ መጓዓዝያ፣ ፋይናንስን ጥዕናን ቀልጢፉ ብዙሕ ርሕቐት ኣይተጉዓዘን።","category":"መፅናዕቲ ሕክምና\/ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61314631"} {"headline":"ንኸቢድ ጭንቀት ክሕክም ተስፋ ዝተገበረሉ 'ኣስማታዊ' - ቃንጥሻ","content":"ካብ ቅንጥሻራ (ቃንጥሻ) ብዝርከብ ባእታታት ዝስራሕ ሓደ መድሃኒት፡ ንምልክታት ከቢድ ጭንቀት ክሳብ 12 ሰሙናት ኣብ ዘሎ ጊዜ ከመሓይሽ ከምዝኽእል ሓደ ፈተነ ኣረጋጊጹ። 25 ሚሊግራም ዝምዘን ከኒና ‘ፕሲሎሳይቢን’ ንተሓከምቲ ኣብ ሕልሚ ዝመስል ኩነታት ብምእታው፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ፍወሳ ናይ ምዕዋት ተኽእሎኡ ዝለዓለ ኮይኑ’ሎ። እቲ ናይ ሓጺር ግዜ ጎናዊ ሳዕቤናት ግን ዘስግእ ክኸውን ከምዝኽእልን ክትትል ክግበር ከምዘለዎን ተመራመርቲ ገሊጾም ኣለዉ። ገና ኣዝዩ ዝነውሐ ምክትታል ዘድልዮም ዓበይቲ መጽናዕትታት ክግበሩ ከምዘለዎም እውን ክኢላታት ይዛረቡ። ኣብ መላእ ዓለም 100 ሚልዮን ዝግመቱ ሰባት ንዝኾነ ይኹን ዓይነት ሕክምና ምላሽ ዘይህብ ከቢድ ሕማም ጭንቀት (ቃዝኖት) ኣለዎም፤  30 ሚኢታዊት ከኣ ነብሰ ቅትለት ንምፍፃም ይፍትኑ። ተመራመርቲ፡ እቲ ‘ፕሲሎሳይቢን’ ዝተብሃለ መድሃኒት ኣብ ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ ዘለዎ ጽልዋ ዝጥምት መፅናዕቲ ከካይዱ ዓመታት ኣቑጺሮም እዮም። ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገበሩ መጽናዕትታት ተስፋ ዝህቡ ኮይኖም፡ ነዊሕ ዝፀንሕ ሳዕቤናት ብዝምልከት ኣብ ምግምጋም ግን ብዙሕ ኣይከዱን። ኣብዚ ቀረባ ዝተኻየደን ኣብ ኒው ኢንግላንድ ጆርናል ኦፍ ሜዲሲን ዝተሓትመን መፅናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ 1 ሚሊ ግራም፣ 10 ሚሊ ግራምን 25 ሚሊግራምን ከኒና ኣብ ልዕሊ ካብ 10 ሃገራት ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ዝተዋጽኡ 233 ሰባት ዝተፈተነ ኮይኑ 25 ሚሊግራም ዝበለጸ ውጽኢት ተራእይዎ’ሎ። መብዛሕትኦም ኣብቲ መፅናዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት ንልዕሊ ሓደ ዓመት ብኸቢድ ጭንቀት ዝሳቐዩ ዝነበሩን ዕድሚኦም ከባቢ 40 ከምዝኾኑን ተመራመርቲ ይገልፁ። ጎኒ ጎኒ ስነ-ኣእምሮኣዊ ፍወሳ ሓደ በዓል 25 ሚሊ ግራም ዶዝ ‘ኮምፕ360 ፕሲሎሳይቢ’ ዝተብሃለ ከኒና ድሕሪ ምውሳዶም፡ ፀሓፊ ናይቲ መጽናዕቲን ኣማኻሪ ሓኪም ስነ-ኣእምሮን ዶክተር ጀምስ ራከር፡ እቲ መድሃኒት \"ኣብ ሓንጎል ቀጥታዊ ስጉምቲ ዝወስድ፡ ናብ ዝያዳ ተዓጻጻፊ ኩነታት ዘእትዎን ንፍወሳ ዕድል ዝህብን\" ተባሂሉ ከምዝሕሰብ ገሊፁ።። እቶም ሕሙማት መድሓኒት ምስወሰዱ ንጽባሒቱን ድሕሪ ሰሙንን፡ ብዛዕባ ተመኩሮኦም ንኽዛረቡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ደገፍ ተዋሂብዎም። \"እቶም ተሓከምቲ ‘እንታይ ኮይነ ድየ?' ካብ ዝብል 'እንታይ ኣጋጢሙኒ?'\" ናብ ምባል ተሰጋጊሮም” ክብል ኣረዲኡ ናይ ስነ-ኣእምሮ ሓኪም ናዳቭ ሊያም ሞድሊን። ኣብ ኩሎም ጉጅለታት ካብ ዝነበሩ ገለ ተሓከምቲ ከም ሕማም ርእሲ፣ ረስኒ፣ ልዑል ድኻምን ሓሳባት ነብሰ ቅትለትን ዝበሉ ጎናዊ ሳዕቤናት ኣጋጢምዎም ነይሩ። እዚ ግን ዘይተለምደ ከምዘይነበረ እቶም ተመራመርቲ ክገልፁ ከለዉ፡ ካልኦት ክኢላታት ድማ ስግኣት ድሕነት ክኸውን ከምዝኽእል ይዛረቡ። ሓላፊ ሕክምና ስነ-ኣእምሮ ዩኒቨርሲቲ ኤዲንበርግ ፕሮፌሰር ኣንድሪው ማኪንቶሽ፡ \"ፕሲሎሳይቢን ሓደ ካብቶም ንዓመታት ክእዘዙ ዝጸንሑ ጸረ-ጭንቀት መድሃኒታት ክኸውን ዝኽእል ኣማራጺ 'ዩ\" ክብል ገሊጹ። እቲ መድሃኒት ፍቓድ ረኺቡ ናብ ረብሓ ቅድሚ መውዓሉ ሰለስተ ዓመት ክወስድ ከምዝኽእል ተመራመርቲ ሓቢሮም ኣለዉ።","category":"መፅናዕቲ ሕክምና\/ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c5148nnd578o"} {"headline":"“ዶክተር እየ፡ ንልዕሊ 5 ዓመታት ግን ኣካላተይ ተሓጺበ ኣይፈልጥን”","content":"ዶክተር ጀምስ ሃምብሊን ይባሃል። ወዲ 37 ዓመት ኮይኑ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ያሌ ኢንስቲትዩት ጥዕና ማሕበረሰብ ፕሮፌሰር’ዩ። ኣብ ምክልኻል ሕማማት’ውን ተወሳኺ ዲግሪ ኣለዎ። እዚ ዶክተር እሞ ድማ በዓል ሞያ ሕክምና ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ነይሩ ኣካላቱ ምሕጻብ ዘቋረጸ። “ትለምድዮ ኢኺ፤ ዝኸብድ ኣይኮነን፤ ብዙሕ ኣየጸግምን” ክብል ነታ ቃለ-መሕትት ዝገበረትሉ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ብዛዕባ ኩነታቱ ገሊጹላ። ዶክተር ጀምስ ጎኒ ንጎኒ ምስቲ ቀንዲ ስርሑ፡ ኣብቲ ኣብ ኣሜሪካ ፍሉጥ ዝኾነ መጽሔት ኣትላንቲክ’ውን ጽሑፋት ብምልኣኽ ዝሳተፍ ዓምደኛ’ዩ። “ ኣብ 2016 ንዝጸሓፎ ጽሑፍ “ኣካላተይ ምሕጻብ ደው ኣቢለ ኣለኹ” ዝብል ርእሲ ሂብዎ ነይሩ። “ሙሉእ ዕድመና ኣካላትና እናተሓጸብና ዘባኸንናዮ ገንዘብን ማይን ዘሕዝን’ዩ” ክብል ድማ ኣብ መእተዊ ጽሑፉ ሓሳቡ ኣስፊሩ’ሎ። ኣብ 2020 ኣቆጻጽር ኣውሮጳ ሓደ መጽሓፍ ናብ ሕትመት ዘብቅዐ ዶክተር ጀምስ፡ ትሕዝቶ መጽሓፉ ንሰባት ዘገረመ ነይሩ። “ሓድሽ ሜላ ሓለዋ ጽርየት ቆርበት” ኣብ ዝብል ዛዕባ ዘድሃበ መጽሓፍ’ዩ ናብ ሕትመት ኣብቂዑ። ንሱ ንባዕሉ ኣካላቱ ዘይተሓጸበ ብዛዕባ ጽርየት ዝዛረብ መጽሓፍ ምጽሓፉ ዘገርም ክኸውን ይኽእል ይኸውን። እቲ ጉዳይ ግን ከምዚ ዝስዕብ’ዩ። ዋላ’ኳ ኣእዳውና ብሳሙና ደጋጊምና ክንሕጽብን ስንና ኣብ መዓልቲ ክልተ ጊዜ ብራሽ ምግባርን ኣዝዩ ኣገዳሲ ከምዝኾነ እንተገለጸ፤ ካልኦት ክፋላት ኣካልና ግን መዓልታዊ እናፈግፈግና ንነብስና ክነሳቕይ የብልናን ይብል። ዶክተር ጀምስ ፈለማ ክፍትኖ ብዝብል ነይሩ ሰብነቱ ምሕጻብ ዘቋረጾ። ብድሕሪኡ ግን ነቲ ውሳንኡ ቀጺልሉ። “ሓደ ሰብ ኣካላቱ እንተዘይተሓጺቡ እንታይ ከጋጥሞ ከምዝኽእል ክፈልጥ ደልየ። ብቐጻሊ ዘይኮነስ ሓሓሊፉ ጥራሕ ኣካላቶም ዝሕጸቡ ሰባት እፈልጥ ነይሩ። ግን ድማ ባዕለይ ክፍትኖ ደልየ” ክብል የረድእ። ኣብ 2015 ኣካላቱ ምሕጻብ ደው ምሰበለ እንታይ ተፈጠረ? “ካብዚ ክግንዘቦ ዝኸኣልኩ ነገር ዋላ’ውን ሰብነትና መዓልታዊ ምሕጻብ ደው እንተበልና ንዝተወሰኑ መዓልታት ዝረሳሕና ኮይኑ ክስመዓና ይኽእል እምበር እናጸንሐ ምስከደ ግን ዝፈጥሮ ዝኸነ ዓይነት ጨና ኣይህልውን። ብኸይዲ ጊዜ እቲ ጨና እናጠፍአ’ዩ ዝመጽእ” ይብል። ብዙሓት ሰባት ጸጉሪ ርእሶም ኣብ ዝሕጸቡሉ እዋን ሻምፑ ከምዝጠቀሙ ዝሓበረ ዶክተር ጀምስ “ብድሕሪኡ ኮንዲሽነር ይውስኹሉ። ግን ከኣ ነዞም ነገራት ምጥቃም ደው እንተነብል ጸጉርና ተፈጥሮኣዊ መልክዑ ዓቂቡ ክጸንሕ ይኽእል’ዩ” ክብል የረድእ። እዚ ኣካላትካ ናይ ዘይምሕጻብ ከይዲ ብሓደ ጊዜ ወሲንካ ጠቕሊልካ ዝግደፍ ከምዘይኮነ ዝሕብር እቲ ዶክተር ቀስ ብቐስ ክልመድ ከምዝግባእ ይምዕድ። ንሱ’ውን ከምኡ እናገበረ ከምዝለመዶ’ዩ ዝዛረብ። ፈለማ ሳሙና፣ ካብኡ ሻምፑን ዲዩደራንት (ጥዑም ጨና ሰብነት ንኽህልዉ ዝሕግዝ ፈሳሲ ወይ ቅብኣት) ምጥቃም እናነከየ መጺኡ። ብድሕሪኡ ሰብነቱ ኣብ መዓልቲ ክልተ ጊዜ ካብ ምሕጻብ ናብ ሓደ ጊዜ፤ ካብኡ ድማ ኣብ ሰሙን ሓደ ጊዜ እናበለ ጠቕሊሉ ናብ ዘይምሕጻብ በጺሑ። “ኣካላተይ ምሕጻብ ክናፍቕ ዝጀመርኩሉ እዋን ከምዝነበረ ክሕስወኩም ኣይደልን። ‘ተሓጸብ ተሓጸብ’ ዝብል ስምዒት ኣጸጊሙኒ ይፈልጥ’ዩ” ይብል ዶክተር ጀምስ። ጨና ሰብነትን ጉዳይ ባክቴሪያን እዚ ኣሜሪካዊ ፕሮፌሰር ከምዝብሎ፡ ሰብነትና ምቾት ዘይህብ ጨና ዝፈጥር ብሰንኪ እቶም ኣብ ሰብነትና ዝርከቡ ባክቴሪያታት’ዩ። እቶም ባክቴሪያታት ድማ ንረሃጽናን ካብ ሰብነትና ዝምንጩ ተፈጥሮኣዊ ናይ ቆርበትና ቅብኣት እዮም ዝምገቡ። ሰብነትና ጽሩይ ክኸውን ብምሕሳብ መዓልታዊ ሳሙና እናተጠቐምና ክንጥከም ከለና ከኣ እቲ ተፈይሮኣዊ ናይ ቆርበትና ቅብኣት ይጉዳእ። ካብዚ ብዝነቅል እቶም ባክቴሪያታት ይርበሹ። ብቐጻሊ ሰብነትና ክንሕጸብ ከለና ነቲ ተፈጥሮኣዊ ዑደት ከምኡ’ውን ንናይ ቆርበት፣ ቅብኣት ሰብነት፣ ረሃጽን ባክቴሪያታትን ስርዓት ከምእነዛብዕ እቲ ዶክተር የረድእ። ነንሽዑ ብዝተሓጸብና ቁጽሪ እቶም ባክቴሪያታት ድማ ብቕልጡፍ ክራብሑ ይጅምሩ። እዚ ኩነታት ድማ ነቶም ጽቡቕ ዘይኮነ ጨና ሰብነት ዝፈጥሩ ኣዝዮም ደቐቕቲ ነገራት መጠኖም ክበዝሑ ብምግባር ብቕልጡፍ ሕማቕ ጨና ክፍጠር ይገብር። ሰለዝኾነ ድማ ሓደ ሰብ ጠቕሊሉ ሰብነቱ ምሕጻብ ደው ከብል ከሎ ነቲ ዝተገለጸ ኩነታት ስለዝኣልዮ ሰብነቱ ሕማቕ ዝኾነ ጨና ምውጻእ ከምዘቋርጽ’ዩ ዶክተር ጀምስ ዝዛረብ። “ሰብነትና ዘይምሕጻብና ልክዕ ከምቲ ጥዑም ጨና (ሽቶ) ዝተቐባእና ክገብረና ኣይክእልን። ብጣዕሚ ክንረስሕ እውን ኣይገብረናን። ግን ከኣ ሰብ ሰብ ኢና ንጨንው፤ ከምቲ ተፈጥሮና” ይብል እቲ ዶክተር። ጨና ሰብነት ዶክተር ጀምስ? ንብዓሉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝኣክል ነብሱ ከይተሓጸበ ኣብ ዝጸንሓሎም እዋናት ካብ ሰባት ብዛዕባ ጨና ሰብነቱ ሓሳብ ቀሪቡሉ’ዶ ይኸውን ብዝብል ተሓቲቱ ነይሩ። “ኩሎም መሓዙተይ፤ ዝቐርቦም ሰባትን ንዝኣምኖምን ኩሎም ነቲ ሓቂ ክነግሩኒ ሓቲተዮም ነይረ። ዋላ ሓደ ሰብ ‘ዝርብሽ ጨና ኣለካ’ ዝበለኒ የለን” ክብል ድማ መልሲ ሂቡ። በዓልቲ ገዘኡ’ውን ነቲ ምሕጻብ ካብ ዘቋረጸሉ እዋን ንደሓር ዘሎ መዓዛ ሰብነቱ ከምእትፈትወሉ ይዛረብ። ዶክተር ጀምስ እቶም ኣብዚ እዋን ኣብ ዕዳጋ ዘለዉ ጽባቐ ቆርበት ንምዕቃብን ጽርየት ሰብነት ንምሕላውን ብዝብል ዝፈርዩ ፍርያት ከምዘሻቕልዎ’ዩ ዝገልጽ። “ሳይንስ ካብ ዕዳጋ ክፍለይ ኣለዎ” ብምባል፡ እቲ ዕዳጋ ንምርካብ ዝግበር ምውዕዋዓት (ምልላይ) ፍርያት ነቲ ሳይንሳዊ ሓቅታት ይዕብልሎ ምህላዉ ይኣምን። “ብዙሓት ሰባት ብመዋዓውዒ ተደፋፊኦም መፈተኒ ሳሙናን ሻምፑታትን እናኾኑ እዮም” ዝብል እቲ ዶክተር፡ ነቶም ፍርያት እንጥቀሞም ነቲ ሳይንስ ተረዲእና ዘይኮነስ ብመዋዓውዒታት ተደፋፊእና ከምዝኾንና የረደእ። እዚ ኩነታት ከኣ ካብ ረብሕኡ ጉድኣቱ ይዛይድ ምህላዉ ወሲኹ ሓቢሩ። “ቅድሚ 100 ዓመት መብዛሕቲኦም ሰባት ማይ ቡምቧ ኣይነበሮምን። ናብ ሩባ እናወረድካ ምሕጻብ ልሙድ እንተነበረ’ውን እዚ ግን መዓልታዊ ዝግበር ኣይኮነን። ኣብቲ ሽዑ እዋን ብብዝሒ ዝፈርዩ ሳሙናታት ኣይነበሩን። ብተፈጥሮ ንዝረኸብናዮ ነገር ክንጥቀም ኢና ጸኒሕና” ክብል ታሪኽ ብምጥቃስ ንሓሳቡ ከረድእ ይፍትን። ኣብቲ ሽዑ እዋን ልክዕ ከምቲ ሎሚ ብስፍሓት ዝረኣዩ ጸገማት ጥዕና ቆርበት ከምዘይነበሩ ብምግላጽ ድማ ምናልባት ሎሚ ሕማማት ቆርበት ክበዝሑ ዝኸኣሉሉ ምኽንያት ካብቶም እንጠቀሞም ፍርያት ዝነቐለ ክኸውን ከምዝኽእል ይዛረብ። “ኣብ ቆርበትና ዘለዉ ባክተሪያታት ልክዕ ከምቲ ኣብ ውሽጢ ሰብነትና ዘለዉ ነዓና ኣገደስቲ እዮም። እዞም ባክቴሪያታት ግን ጎዳእቲ ከምዝኾኑ እዩ ተነጊሩና። እቲ ሓቂ ግን ብኣንጻሩ እዩ ዘሎ። መብዛሕቲኦም ብክቴሪያታት ሕማማት ዘምጽኡ ኣይኮኑነን ክውገዱ’ውን የብሎምን” ይብል ዶክተር ጀምስ። “መዓልታዊ ንብስኻ ምሕጻብን ምፍታግን ብሕክምና’ውን ዝድገፍ ኣይኮነን። ኣነ ሰባት ነብሶም ምሕጻብ ደው ከብሉ ኣይኮንኩን ዝደፋፍእ ዘለኹ። ግን ከኣ ብፍላይ ጸገም ጥዕና ቆርበት ዘለዎም ሰባት ብቐጻሊ ነብሶም ዘይምሕጻብ እንተፈተንዎ ውጽኢታ ክሪኡሉ ይኽእሉ እዮም” ይብል።","category":"መፅናዕቲ ሕክምና\/ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60151222"} {"headline":"ንሕማም ኣልዛይመር ዘዝሕል ‘ታሪኻዊ መድሓኒት’","content":"ውጽኢት ፈተነ ናይቲ ንሕማም ኣልዛይመር (ሕማም ረሲዕ) ከምዘዝሕል ተስፋ ዝተገብረሉ መድሃኒት \"ታሪኻዊ ህሞት\" ከም ዝውክል ክኢላታት ገሊጾም። ኢሳይን ባዮጀንን ዝተበሃሉ ኩባንያታት መድሓኒት፡ መድሓኒቶም ኣብ መጀመርታ ደረጃ እቲ ሕማም እንተተዋሂቡ ውጽኢት ከምዘለዎም ይሕብሩ። ምሉእ ዝርዝር ሓበሬታ ዛጊት ኣይተዘርግሐን። እንተኾነ ግን ንናህሪ ምንቁልቋል ሓንጎል ዘዝሕል ይመስል። እቲ ውሱን መረዳእታ ከይተረፈ ኣብ መንጎ ተመራመርቲ ሕማም ረሲዕን ትካላት ግብረ ሰናይን ተስፋ ፈጢሩ እዩ። እቲ 'ለኬንማብ' ዝተባህለ መድሓኒት፡ ኣብ ሓንጎል ሕማም ኣልዛይመር ዘለዎም ሰባት ዝእከቡ መርዛም ዕንፍሩራት ቤታ-ኣሚሎይድ ፕሮቲናት ንምእላይ ዝተዳለወ እዩ። መድሃኒት እቲ ሕማም ንምምሃዝ ዝተገብሩ ካልኦት ብዙሓት ፈተነታት ስለዘይተዓወቱ፡ እቶም መርዛም ዕንፍሩራት ቤታ-ኣሚሎይድ ብሓቂ ጠንቂ ናይቲ ሕማም ድዮም ዝብል ሕቶ ኣስዒቡ ነይሩ እዩ። ኣብዚ ፈተነ፡ መጀመርታ ደረጃ ሕማም ኣልዛይመር ዘለዎም 1795 ወለንተኛታት፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ሰሙን ለኬንማብ እናተወግኡ ብቐጻሊ ድማ ኣብ ዝኽሮምን ኣእምሮኣዊ ቅልጣፈኦምን መርመራ ተገይሩሎም። ኣብቲ ን18 ኣዋርሕ ዝተገብረ ፈተነ፡ ምስቶም ሞደል (ንስነ-ኣእምሮኣዊ ጽልዋ ዝተዳለወ ናይ ሓቂ ዝመስል መድሃኒት) ሕክምና ዝተገብረሎም ሰባት ክነጻጸር እንከሎ፡ ናህሪ ምንቁልቋል ክእለት ምዝካር ኣእምሮ ብ27 ሚእታዊ ከምዝነከየ እቶም ኩባንያታት መድሓኒት ይገልጹ። ብተወሳኺ መጠን ናይቲ ኣብ ሓንጎል ዝርከብ መርዛም ፕሮቲን ከምዝነከየ ኣርእዮም እዮም። ኣብቲ ፈተነ ዝተርኣዩ ጎናዊ ሳዕቤናት ድማ ሕበጥ ሓንጎልን ሕማም ርእስን የጠቓለሉ። እቲ መድሓኒት ንኻልኦት ዓይነት ሕማማት ርእሲ ኣይክሰርሕን እዩ። \"እዚ ናይ ሎሚ መግለጺ፡ ለኬንማብ እንተተፈቒዱ፡ ንዕቤት ሕማም ኣልዛይመር ከዝሕልን ከምኡ’ውን ኣብ መስርሕ ምፍላጥን ኣብ ተግባርን በመንጽር ክሊኒክ ትርጉም ዘለዎ ጽልዋ ከሕድርን ከምዝኽእል ንሕሙማትን ስድራቤቶምን ተስፋ ዝህብ እዩ\" ይብል ዋና ኣካያዲ ስራሕ ባዮጀን፡ ሚሸል ቮናትሶስ። እቶም ኩባንያታት ሕጂ እቲ መድሓኒት ኣብ ኣሜሪካ፡ ኣውሮፓን ጃፓንን ንክወሃብ ፍቓድ ቁጽጽር ክረኽቡ ኣመልኪቶም ኣለዉ። ኣብ \"ምርምር ሕማም ረሲዕ ታሪኻዊ ህሞት\" ከምዝኾነ ዝገለጸት ዳይረክተር መጽናዕቲ ኣልዛይመር ብሪጣንያ ዶክተር ሱዛን ኮህልሃስ፡ \"ኣብ ሓደ ወለዶ ንምንቁልቋል ኣእምሮ ብዓወት ዘዝሕለ ናይ መጀመርታ ዓቢ ክሊኒካዊ ፈተነ እዩ\" ትብል። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደን ፕሮፌሰር ዝኾነ ጆን ሃርዲ ብወገኑ፡ እቲ ውጽኢት \"ብሓቂ ዘተባብዕ\" ይብል። \"ኣብ ሕማም ኣልዛይመር ናይ መጀመርታ ናይ ብሓቂ ኣወንታዊ ቅጽበታዊ ውጽኢት ፈተነ ይመስል።\" \"እዚ ብንጹር ዱእ ው ርኽበት ኣይኮነን፡ ግን ርግጽ 'መጀመርታ እቲ ናይ መወዳእታ ጉዕዞ' ይመስል።\" እቶም ክልተ ኩባንያታት ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ምውዕዋዕ ዝተገብረሉ ኣዱካኑማብ ዝበሃል መድሓኒት ኣልዛይመር ኣፍሊጦም ነይሮም። እቲ መድሓኒት ኣብ ኣሜሪካ ምስተጀመረ ግን ብሰፊሑ ተነቒፉ እዩ። 'ይሰርሕ ድዩ ኣይሰርሕን' ዝተጠራጠረ ሕብረት ኣውሮጳ ብወገኑ፡ እቲ መድሓኒት ኣብ ዕዳጋ ከይውዕል ፍቃድ ከምዝኸልከለ ይፍለጥ። እቲ ኣቐዲሙ ዝወጸ መረዳእታ ናይቲ ሓዱሽ መድሓኒት ግን ዝያዳ ንጹር ይመስል። ይኹን እምበር ምሉእ ዝርዝር ሓበሬታ ክሳብ ሕዳር ክግለጽ ትጽቢት ኣይግበርን። ኣብ ዩሲኤል ፕሮፌሰር ስነ-ኣእምሮ እርጋን ዝኾነ ሮብ ሃዋርድ፡ \"ናይ መጀመርታ ዘእምን ምምሕያሽ ሕማም ኣልዛይመር ክንርኢ ከለና፡ እዚ ብዘይምግናን ገለ ታሪኻዊ ህሞት ዝውክልን ብስታቲስቲካዊ ኣገባብ ኣወንታዊ ውጽኢትን እዩ\" ይብል። \"ነዚ [ውጽኢት] ነዊሕ ተጸቢና ኢና።\"","category":"መፅናዕቲ ሕክምና\/ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3g8j82m09ko"} {"headline":"ብዘይፍወስ ሕማም ተሳቕዩ፡ ህይወቱ ንኽትሓልፍ ዝተወሰነሉ ህጻን መን'ዩ?","content":"እዚ ወዲ 12 ዓመት ህጻን ኣርቺ ባተርስቢ ይበሃል። ኣደኡ ብ 7 ሚያዝያ ኣብ ገዛኡ ውነኡ ኣጥፊኡ ረኺባቶ። ፈለማ ናብ ሆስፒታል ሳውዝኢንድ ተወሲዱ። ንጽባሒቱ ግን ኣብ ዋይትቻፐል ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ዘ ሮያል ለንደን ተሰጋጊሩ። ኣብዚ ሆስፒታል ኣርቺ፡ ነፍሲ ክሳብ ዝዘርእ ዝተፈላለየ ኣርተፊሻል ኣገባባት ሓገዝ ሕክምና እናተገብረሉ እዩ ብህይወት ክጸንሕ ክኢሉ። ሓካይምን ስድራኡን ግን ነቲ ህይወት ዝድግፍ ሕክምና ይቐጽል ዶ ይቋረጽ? ብዝብል ኣብ ቤት ፍርዲ ከይተረፈ ክካትዑ እዮም ቀንዮም። ሓደ ሰብ፡ ዘይምለስ ምቍራጽ ስርዓተ ዑደት ደምን ስርዓተ ምስትንፋስን ወይ ዘይምለስ ምቍራጽ ኵሉ ስርሓት ምሉእ ሓንጐል እንተጋጢምዎ፡ ሞይቱ ክበሃል ከምዝኽል ሰብ ሞያ ጥዕና ይገልጹ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ዝርከብ፡ ብዘይፍወስ ሕማም ዝሳቐ ወይ ዘይምለስ ዕውለት ዘጋጠሞ ሰብ ዩተነዢያ (euthanasia) ይግበረሉ እዩ። ዩተነዢያ፡ 'መሓሪ ቅትለት' ተባሂሉ’ውን ዝጽዋዕ ኰይኑ ብዘይ ቃንዛ ወይ ነቲ ኣርቲፊሻል ሕክምናዊ ሓገዝ ህይወት ብምቍራጽ ንኽመውቱ ምግባር ዘኽእል መስርሕ እዩ። ሓኻይምን ስድራ ኣርቺን ዘካትዐ እውን እዚ እዩ፤ ኣርቺ ብህይወት ይጽናሕ ዶ ወይስ ህይወቱ ንኽትሓልፍ ይገበር? ኣደኡ ሆሊ ዳንስ \"ተቓላሳይ ክኸውን ዝተወልደ\" ኢላ'ያ ትገልጾ። ቅድሚ እቲ ሓደጋ፡ ኣርቺ፡ ኣብ ማርሻል ኣርትን ጂምናስቲክን ዝሳተፍ ዝነበረ ንጡፍ መንእሰይ ወዲ ምንባሩ ስድራኡ ይገልጹ። ብ7 ሚያዝያ፡ ኣደኡ ኣብ ሳውዝኢንድ፡ ኤሰክስ ኣብ ዝርከብ ገዛኦም ድሕሪ ዘጋጠመ ፍጻመ፡ ሕልናኡ ኣጥፊኡ ረኺባቶ። ኣብ ሓደ ናይ ኦንላይን ግድል ወይ ገይም ኣትዩ ነይሩ ክኸውን ከም ዝኽእል'ያ ትግምት። ናብ ሮያል ለንደን ሆስፒታል ምስተወስደ፡ እቶም ሓኻይም ኣብ ሓንጎሉ ዘጋጠሞ ጕድኣት ኣዝዩ ርኡይ ብምዃኑ፡ ሓንጎሉ ስርሑ ደው ኢሉ እዩ ኢሎም ከምዝኣምኑ ንስድራቤት ኣርቺ ሓቢሮም። እዚ ማለት ድማ ኣርቺ ናብ ሕልናኡ ኣይምለስን ወይ ብዘይ ኣርቲፊሻል ሓገዝ ከስተንፍስ ኣይክእልን እዩ። ሓኻይም መርመራ ሞት ሓንጎል ክገብሩ ሓቲቶም፤ ስድራቤት ኣርቺ ግን ኣይፈቓዱን። ስለዚ እቲ 'ባርትስ ሄልዝ ኤንኤችኤስ ትረስት' ብዝብል ዝጽዋዕ ነቲ ሆስፒታል ዘመሓድር ኣካል፡ ፍቓድ ምርመራ ንምርካብ እቲ ጉዳይ ኣብ ለንደን ናብ ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣቕሪብዎ። ኣብቲ ድሕሪኡ ዝነበረ መስርሕ ፍርዲ፡ ነቲ ማዕከን ሕክምና ዝውክሉ ጠበቓታት፣ እቲ ዳኛ ንኣርቺ ዘርብሑ እንታይ ዓይነት ስጕምትታት ከምዝዀኑ ንኽውስን ሓቲቶምን ተኸራኺሮምን። እቲ መርመራ ሓንጎል ክካየድ ኣይከኣለን። እቲ ሕክምና ክቕጽል ኣለዎ ድዩ ኣይግባእን ንምፍላይ ተወሳኺ መስርሕ ፍርዲ ተኻይዱ። ኣብ መወዳእታ ናይቲ ብ13 ሰነ ዝተኻየደ መስርሕ ፍርዲ፡ እቲ ዳኛ፡ ኣርቺ ኣብታ ብ31 ግንቦት ኤምኣርኣይ ስካን ዝተገብረላ መዓልቲ ከም ዝሞተን፡ ንህይወት ዝድግፍ ሕክምናኡ ደው ክብል ከም ዝኽእልን ወሲኑ። ወለዲ ኣርቺ ብ29 ሰነ እቲ ጕዳይ ዳግማይ ንኽረአ ኣብ ዝቐረበ ይግባይ ተዓዊቶም፤ ንኣርቺ ዝጠቅም እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ብዝተፈላለዩ ዳያኑ ዝምራሕ ሓድሽ መስርሕ ፍርዲ ድማ ብ11 ሓምለ ተኻይዱ። ዳኛ ሄይደን ብ15 ሓምለ፡ ተወሳኺ ሕክምና \"ከንቱ\" እዩ ብምባል፡ ንህይወት ዝግበር ደገፍ ምቍራጽ - ብኻልእ ኣዘራርባ ከም ዝመውት ምግባር - ንኣርቺ ዘረብሕ እዩ ክብል ወሲኑ። ነቲ ውሳነ ንምቕልባስ ናብ ይግባይ ሰማዒ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ጥርዓን ስድራቤት ተነጺጕ፣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ'ውን ጣልቃ ምእታው ኣብዩ። ስድራቤት ኣርቺ ናብ ኮሚቴ መሰላት ስንኩላን ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ኣቕሪቦም። ብድሕሪኡ እቲ ኮሚቴ፡ ነቲ ጉዳይ ክሳብ ዝምርምር መንግስቲ ብሪጣንያ ነቲ ሕክምና ምቍራጽ ከደናጕዮ ሓቲቱ። ስድራ ኣርቺ፡ እቲ ኮሚተ ውልቀሰባትን ስድራቤታትን \"ብዛዕባ ምግሃስ መሰላት ስንኩላን ጥርዓን ከቕርቡ\" ዝፈቅድ መስርሕ ኣለዎ ኢሎም። ጸሓፊ ጥዕና ስቲቨን በርክለይ፡ ነቲ ጕዳይ ንምግምጋም ህጹጽ መስርሕ ፍርዲ ንኽካየድ ሓቲቱ። እቶም ሰለስተ ዳያኑ ይግባይ ሰማዒ ቤት ፍርዲ ግን፡ ኣካል ሕጊ ብሪጣንያ ከምዘይኰነ ስለዝኣመኑ፡ ነቲ ህይወት ዘድሕን ሕክምና ደው ክብል ኣለዎ ዝብል መሰረታዊ\/ቀዳማይ ውሳነ ደጊፎሞ። ነቲ ውሳነ ይግባይ ዝብል ተወሳኺ ጥርዓን ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ፤ እንተዀነ ንሱ'ውን ተነጺጕ። እቶም ስድራቤት፡ ንኣርቺ ናብ ሓደ ሆስፓይስ (ክሳብ ዝመውት ዝጸንሓሉ ትካል) ከግዕዝዎ ንኽፍቀደሎም ካብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፍቓድ ሓቲቶም'ኳ እንተነበሩ፡ ሓደ ዳኛ ግን ንኣርቺ ምግዓዝ ረብሓ የብሉን ኣብ ዝብል ውሳነኡ ጸኒዑ። ወለዲ ኣርቺ፡ ሆሊ ዳንስን ፖል ባተርስቢን፡ ወዶም ንኽሓዊ ዝያዳ ግዜ ከም ዘድልዮ ይምጕቱ ነይሮም። ብናቶምን ናይ ኣርቺን ሃይማኖታዊ እምነት፡ ብሓኻይምን ቤት ፍርድን ዝያዳ ቆላሕታ ክወሃቦ ከምዘለዎ እውን ተማጒቶም። ብመገዲ ጐስጓስ ክርስትያን 'ሌጋል ሴንተር'፡ ካብ ኣርቺ ምልክታት ህይወት ከምዝረኣዩን፡ ሓኻይም ግን ስክፍታታቶም ከምዘይሰምዑን ብምግላጽ ተኸራኺሮም። ሚስ ዳንሰ፡ ወዳ ንኽሓዊ \"ተወሳኺ ግዜ\" ከምዘድልዮ ከምዝኣምን ገሊጻ። \"ብኽብሪ ምሟት ብዝብል ሓሳብ ኣይንሰማማዕን። እዚ ኣብ ልዕለና ምስግዳድ ንኣርቺ ሞቱ ምቅልጣፍን ኣዝዩ ጭካነ'ዩ\" ትብል። \"ኣርቺ እንታይ ከምዘጋጥሞ፣ እንተላይ መዓስን ብኸመይን ክመውት ከም ዘለዎ ዝውስን ሓደ ኣምላኽ ጥራይ'ዩ፡\" ትብል። \"ኣርቺ ንህይወቱ ይቃለስ ክሳብ ዝሃለወ፡ ኣነ ኣይጠልሞን እየ፡\" ትውስኽ። ንኣርቺ ዝሕክሙ ዝነበሩ ሓኻይም፡ ውጽኢት ስካን ስዒቡ \"ሓንጐሉ ድሮ ሞይቱ\" ክኸውን \"ልዑል ተኽእሎ\" ከምዘለዎ ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሓቢሮም። እቲ ቤት ፍርዲ ድማ ንህይወቱ ዝወሃብ ደገፍ ደው ክብል ንኽእዝዝ ሓቲቶም ነይሮም። ኣብ ሓደ መስርሕ ፍርዲ፡ ክኢላታት ምርመራታት \"ዝርአ\" ንጥፈታት ሓንጎሉ ከምዘየለ ገሊጾም። ቅድሚ ሕጂ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ \"ኵሉ ኣካላዊ ስራሕ\" ኣርቺ ብኣርቲፊሻል ኣገባብ ከም ዝዕቀብ ሰሚዑ ነይሩ። ኣብ 1 ነሓሰ ኣብ ይግባይ ሰማዒ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ ፍርዲ ግን፡ ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሰር ኣንድሪው ማክፋርለን፡ ኣብቲ ሕክምናዊ መርትዖታት ተመርኲሱ ንዅነታት ኣርቺ መጠቓለሊ ኣቕሪቡ። \"ብሓጺሩ ስርዓቱ፡ ኣካላቱን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ልቡን ኣብ መስርሕ ምዕጻው እዮም ዘለዉ፡\" ኢሉ። ፈለማ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንረብሓ ኣርቺ ስዒቡ ክውሰድ ዘለዎ ስጕምቲ እንታይ ከምዝዀነ ንኽውስን ዝሓተቱ ነቲ ማዕከን ሕክምና ዝውክሉ ጠበቓታት እዮም። ድሕሪ'ቲ ዳሕረዋይ ኣብ ስድራቤቱ ዘጋጠመ ስዕረት ይግባይ፡ ኣካያዲ ትካል ሕክምና 'ባርትስ ሄልዝ ኤንኤችኤስ ትረስት'፡ \"ዓሚቝ ሓዘንና ምስ ስድራቤት ኣርቺ ይቕጽል ኣሎ\" ኢሉ። \"ከምቲ ብቤት ፍርዲ ዝተዋህበ መምርሒ፡ ሕጂ ምስ ስድራቤት ብምትሕብባር ነቲ ሕክምና ንምቍራጽ ምድላው ክንገብር ኢና፡\" ብምባል ከኣ ገሊጹ። ከም ናይ ኣርቺ ዝኣመሰሉ ጕዳያት ኣዝዮም ሳሕቲ እዮም ዘጋጥሙ። ናይ ሓደ ህጻን ደገፍ ህይወት ከብቅዕ ኣለዎ ወይስ የብሉን ዝብል ዘይምርድዳእ ምስ ዘጋጥም ግን፡ ነቶም ኣብዚ ጕዳይ ዝሳተፉ መሪር ጭንቀት፡ ኣድካምን ነዊሕን መስርሕ ቤት ፍርዲ ዝፈጥሩ እዮም። \"ንከም ኣርቺ ዝኣመሰሉ ህጻናት፡ ሓኻይም ከሕውይዎም ኣይክእሉን እዮም። ምዕቡላት ሕክምናዊ ሜላታትን ቴክኖሎጂታትን ድማ ኣብ መወዳእታ ካብ ረብሓኦም ንላዕሊ ጕድኣት ከስዕቡ ይኽእሉ'ዮም። ሓደ ሓደ ግዜ፡ መድሃኒት ክገብሮ ዝኽእል ነቲ ዘይተርፍ ሞት ምንዋሕ ጥራይ'ዩ።\" ይብል ክኢላ ሕክምናዊ ስነ-ምግባርን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ኣማኻሪ ኒዮናቶሎጂስትን ፕሮፌሰር ዶሚኒክ ዊልኪንሰን። ንኣርቺ ዝግበረሉ ዝነበረ ኣርቲፊሻል ደገፍ ህይወት እምበኣር ትማሊ ሰንበት ደው ክብል ተገይሩ። እቲ ኣብ መንጎ ቓልሲ ወለዱን ሓኻይምን ዝነበረ ወዲ 12 ዓመት ኣርቺ ባተርስቢ ኸኣ ህይወቱ ሓሊፋ። \"ከምዚ ዝበለ ጽቡቕ ንእሽቶ ወዲ፡ ክሳብ መወዳእታ ተቓሊሱ\" ዝበለት ኣደኡ ሆሊ ዳንስ፡ \"ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ኣደታት ዝለዓለ ሓበን ዝስምዓኒ ኣደ እየ\" ክትብል ተዛሪባ። ስድራቤት ኣርቺ ባተርስቢ፡ ዝዀነ ሰብ እቲ ንዖኦም ዘጋጠሞም ንኸየጋጥሞ ይምነዩ። ኣብ ክሊ ምቍራጽ ደገፍ ህይወት ዝካየድ ሕጋዊ ምጕትን መስርሕን ድማ ዳግማይ ክምርመር ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ። እቶም ስድራቤት ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ጸቕጢ ናይቲ መስርሕ \"ዘይእመን\" ምንባሩ ገሊጾም። \"ካብዚ ዘሕለፍናዮ ዘስካሕክሕን ዘሕዝንን ተመኵሮን ጽቡቕ ነገር ክወጽእ ንደሊ\" ክብሉ ወሲኾም ገሊጾም። \"ኣብ ልዕሊ ኣርቺ ዘጋጠመ ኵነታት፡ ግቡእ መርመራን ምጽራይን ክግበረሉ ክንጽውዕ ኢና፡\" ይብሉ።","category":"መፅናዕቲ ሕክምና\/ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4n3wjw9zero"} {"headline":"ንመጽናዕቲ ብዝብል ንዓመታት ተፈላልዮም ዝዓበዩ ማናቱ ዝተራኸቡሉ ኣጋጣሚ","content":"ካቲ ሴክለር፡ ንህይወታ ምሉእ ብምሉእ ዝቐየረ ዘይተጸበየቶ ርኽበት ኣብ ዝረኸበትሉ እዋን ጓል 16 ዓመት እያ ነይራ። ፍላይ ማንታ ሓፍቲ ነይራታ። 4 መስከረም 1977 ከምዝነበረ ትዝክር። ሓንቲ መሓዝኣ፡ ንሓንቲ ሎሪ ፕሪትዝል እትበሃል እትፈልጣ ጓል ከም እትመስል ነጊራታ። ዕለተ ልደት ሰክለርን ሎሪን ብሓደ መዓልቲ ኮይኑ መልክዐን ድማ ኣዝዩ ተመሳሳሊ ኔሩ። ሰክለር ካብ ንእስነታ ኣትሒዛ ምስ ዘይስድርኣ ከምዝዓበየት ትፈልጥ ኔራ እያ። ድሕሪኡ ግን ፕሪትዝል'ውን ካብ ተመሳሳሊ ትካል ተወሲዳ ምስ ካልእ ስድራ ከምዝዓበየት ፈለጠት። እተን ኣዋልድ ብኡንብኡ ተደዋዊለን። ጥርጣረ መሓዛአን ሓቂ ክኸውንን ማናቱ ክኾና ከምዝኽእላን ተረዲአን። ሴክለር ንመጀመርታ ግዜ ምስ ማንታ ሓፍታ ምስ ተራኸበት ከምዝነብዐት ትዝክር። \"ሎሪ ኣብ ገጻ ዓቢ ፍሽኽታ እናተርኣየ ጽርግያ ክትሰግር ርእየያ...\" ትብል። \"ድሕሪኡ ተሓቛቚፍና። ንጽልቲ ከምዘይኮንኩ ተሰሚዑኒ። ምስ ዘይወለዱኒ ስድራ ብምዕባየይ፡ ኩሉ ግዜ ዝተፈለኹ ኮይኑ'ዩ ዝስምዓኒ ነይሩ\" ብምባል ነቲ ዝነበረ ኩነታት ትዝክር። ክልቲአን ኣትከኽቲ ሽጋራ እየን። ከም ሳዕስዒትን ስእልን ዝኣመሰሉ ተመሳሳሊ ስነ-ጥበባዊ ዝንባለታት ኣለወን። ክልቲን ድማ ሙዚቃ ይፈትዋ። ሎሪ፡ \"ልዕሊ ክውንነት እዩ ነይሩ። ኣብ መስትያት ንነብሰይ ዝጥምታ ዘለኹ ኮይኑ ተሰሚዑኒ\" ትብል። እተን ኣዋልድ ኣስታት 24 ኪ.ሜ ተረሓሒቐን እየን ዝነብራ ናይ ሓባር መሓዙትን ከኣ ኣላወን። ወለዲ ክልቲአን ብዛዕባ እታ ካልእ ማንታ ንኣስታት ዓሰርተ ዓመት ይፈልጡ እኳ እንተነበሩ፡ ብምስጢር ክሕዙ ግን ተነጊርዎም ነይሩ። ሴክለርን ሎሪን ኣካል ሓደ ኣካታዒ መጽናዕቲ እየን። ኣብ 1960ታት፡ ኣብ ኒውዮርክ ሓደ ሽዑ ጽቡቕ ተፈላጥነት ዝነበሮ 'ሉዊስ ዋይዝ ሰርቪስስ' ዝበሃል ወለዶም ዝሰኣኑ ቆልዑ ምስ ካልእ ስድራ ዘራኽብ ትካል፡ ኮነ ኢሉ፡ ብውሑዱ፡ 10 ማናቱ ወይ ስሉሳት ዕሸላት ተፈላልዮም ክዓብዩ ንዝተፈላለዩ ስድራቤታት ሂብዎም። እቲ ትካል ምስ ሓደ ጉጅለ ሓካይም ስነ-ኣእምሮን ስነ-ኣእምሮኣውያንን ብምሽራኽ፡ መን ምዃንና ዝገብረና እንታይ ምዃኑ ንምግላጽ ኣብ ዝግበር ፈተነ ተሳቲፉ ነይሩ። መንነትና ብባህሪና፣ ከምኡ’ውን ብኣተዓባብያና ክንደይ ከምዝጽሎ ክፈልጡ እዩ ድልየቶም። ብዛዕባ እቲ መጽናዕቲ ዝምልከት ሰነዳዊ ፊልም ቢቢሲ ንምድላው፡ እቶም ማንታ ንምንታይ ሎሚ’ውን ብዛዕባ’ዚ ብዘይፍላጦም ኣብ ልዕሊኦም ዝተገበረ ፈተነ መልሲ ይደልዩ ከምዘለው ንምፍላጥ፡ ንሕደ ማናቱን ሕውነታዊ ማናቱን ዝኾኑ ተሳተፍቲን ሓደ ካብቶም ኣብዚ ጉዳይ ዝተሳተፉ ተመራመርቲን ኣዘራሪበ። \"ኣሽንኳይዶ ማንታ፡ ብሓቂ ኣሓት ከይንኸውን'ዮም ከልኪሎምና። እቲ ዝገበርዎ በቃ ዘስካሕክሕ እዩ ነይሩ ኢለ ይሓስብ\" ክትብል ሴክለር ነቲ ሰነዳዊ ፊልም ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት ነጊራትኒ። \"ምስ ዘይወለድኻ ምዕባይ ንባዕሉ በዳሂ እዩ ነይሩ...” ትብል። (ብዛዕባ ዛንታ ካቲ ሴክለርን ሎሪ ፕሪትዝልን ዝያዳ ንምፍላጥ \"ስፕሊት ኣት በርዝ’ ዝብል ተኸታታሊ ሰነዳዊ ፊልም ኣብ ቢቢሲ ሪል ክትርእዩ ትኽእሉ ኢኹም።) ኣብ 1960ታት ኣብ ትካል 'ሉዊስ ዋይዝ ሰርቪስስ' ዝነበረ ናብ ካልእ ስድራ ዝተሰጋገረ ህጻን፡ “ምናልባት ማንታ ኣለኒ ኢሉ ክሓስብ ምሉእ መሰል ኣለዎ\" ትብል ክኢላ ጀነቲክስን ደራሲት ‘ደሊበሬትሊ ዲቫይድድ’ ትብል መጽሓፍን ናንሲ ሴጋል። ናንሲ፡ ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ማናቱ ህጻናት ዝተሳተፉ ሰባት፡ ከምኡ'ውን ኣብቲ መስርሕ መጽናዕቲ ዝተሳተፈ ክትረኽቦ እትኽእል ዝኾነ ሰብን ክትከታተል ሓያሎ ዓመታት ኣሕሊፋ እያ። ዛንታ ናይተን መናቱ ከምኡ’ውን ኮነ ኢልካ ከም ዝፈላለዩ ዝተገብሩ ብሓንሳእ ዝተወልዱ ሰለስተ ህጻናትን፡ ንመጀመርታ ግዜ ብግልጺ ዝተፈልጠ ኣብ 1980 ሰለስተ መንእሰያት፡ ኣብ 19 ዓመት ዕድሚኦም ብሓንሳእ ዝተወልዱ ስሉሳት ምዃኖም ብኣጋጣሚ ምስ ፈለጡ እዩ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ካልኦት’ውን ከም ዘለዉ ንጹር ኰነ። ዛንታታት ማናቱ ንነዊሕ እዋን ንሓሳብ ደቂ ሰባት ዝማረኹ እዮም። ሰባት፡ ማንታ ኣብ ጽርግያ ደው ኣቢሎም ብዛዕባ እቲ ኣለዎም ዝበሃል ፍሉይ ምትእስሳር ብቐጻሊ ይሓቱ እዮም። ማናቱ፡ ንተመራመርቲ ኣብ መንጎ ጀነቲክስን እንነብረሉ ከባቢታትን ዘሎ ዝተሓላለኸ ምትእስሳር ፍሉይ ርድኢት ይህቡ። ኣብ ዝተፈላለዩ ስድራቤታት ተፈላልዮም ዝዓብዩ ሕደ ማናቱ ከባቢኦም ዘይኮነስ ጂኖም ጥራይ እዮም ዝካፈሉ። ስለዚ ዝኾነ ዝተረኽበ ናይ ሓባር ነገራት ብዓቢኡ ምስ ጂኖም ዝተኣሳሰር ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ዋላ እኳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ መንጎ ተፈጥሮን ኣተዓባብያን ዘሎ ርክብ ካብዚ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ኮይኑ እንተተረኸበ። ንኣብነት ከም ኣስተውዕሎ፡ ቁመትን ክብደትን ዝኣመሰሉ ባህርያት ኩሎም ኣገደስቲ ጀነቲካዊ ጽልዋታት ከም ዘለዎም ተረጋጊጹ ኣሎ። ከምዚኦም ዝበሉ ርኽበታት ካብቲ ንድሕሪት ተመሊሱ ንዓመታት ዝተኣከበ መረዳእታ ተፈላልዮም ዝዓበዩ ማናቱ ዝመጹ እዮም። \"ካብቲ ዝሓሰብናዮ ንላዕሊ ብዙሓት ባህርያት ጀነቲካዊ ባእታ ከምዘለዎም'ዩ\" ትብል ናንሲ። \"ጀነቲክስ ኩሉ ኣይኮነን፡ ግን ሓደ ሰብ ካብ ካልእ ሰብ ስለምንታይ ከም ዝፈላለ ዓቢ ነገር እዩ ዝገልጽ።\" ሳሕቲ እኳ እንተተራእየ፡ እቶም ተፈላልዮም ዝዓበዩ ሕደ ማናቱ መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ ዓመታት ጥራይ እዮም ነዚ ዝረኽብዎ። ስለዚ ዝኾነ ርድኢት ንድሕሪት ተመሊስና እዩ ዝረክብ። ሳሕቲ ብምዃኖም፡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ከጽንዕዎም ዝኽእሉ ውሱናት ማናቱ ጥራይ እዮም ዝህልዉ። እቶም ምስ ትካል 'ሉዊስ ዋይዝ ሰርቪስስ' ዝሰርሑ ተመራመርቲ፡ ካብ ልደቶም ጀሚሮም ምዕባለ ሕደ ማናቱን ስሉሳትን ከጽንዑ ከም ዝኽእሉ ተገንዚቦም። ኣማኻሪት ስነ-ኣእምሮ ናይቲ ትካል ቪዮላ በርናርድ፡ ተፈላልዮም ምዕባዮም ናይ ገዛእ ርእሶም መንነት ንኸማዕብሉ ክሕግዞም እዩ ብዝብል ምፍልላዮም ምኽኑይ ከምዝኾነ ትገልጽ። እቶም ማናቱ፡ ኣብ ከም ዕድመ፡ ማሕበረ-ቁጠባዊ ኩነታት፡ ትምህርቲ፡ ሃይማኖቶም ዝኣመሰሉ ሓያሎ ወሰንቲ ረቛሒታት ተመርኲሶም፡ ብጥንቃቐ ንዝተመርጹ ስድራቤታት ተዋሂቦም። እቶም ወለዲ፡ ኣብ መጽናዕቲ ምዕባለ ህጻናት ይሳተፉ ከምዘለዉ ጥራይ እዮም ተሓቢሮም። እቶም ማናቱ ምስ ብልሕን ስብእናን ዝተኣሳሰሩ ዝተፈላለዩ ባህርያት ብምርኣይ ብዙሕ መርመራታት ተገይሩሎም። ብተወሳኺ ብፊልም ተቐሪጾም እዮም። እቲ ፈተነ ካብ ፈለማ ጀሚሩ ጸገማት ነይርዎ። ንሓጺር እዋን ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፈ ሎረንስ ፐርልማን፡ ነቶም ማናቱ እናኸደ ይምርምሮምን ይስእሎምን ነይሩ። እቶም ተፈላልዮም ዝዓበዩ ማናቱ ክሳብ ክንደይ ከም ዝመሳሰሉ ክርእይ ከሎ ከም ዝገረሞ ይዝክር። \"ኣካላዊ መልክዕ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምሉእ ስብእነቶም። እቲ ጀነቲካዊ ጽልዋታት ኣዝዩ ሓያል ምዃኑ ኣዝዩ ንጹር እዩ ነይሩ\" ይብል። ንኣብነት ክልተ ሕደ-ማናቱ ኣዋልድ ክልቲአን ኬቻፕ ይፈትዋ ነይረን። እቲ መጽናዕቲ ነዊሕ ​​ከይጸንሐ ጸገማት ኣጋጢምዎ። ምወላ ወዲኡ፡ ኣብ 1970ታት ብዛዕባ ብሓበሬታ ዝተሰነየ ፍቓድ ዝምልከት ስነ-ምግባራዊ ስክፍታታት ነይሩ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኒውዮርክ ፕሮፌሰርን ክኢላ ሕክምናዊ ስነ-ምግባርን ኣርተር ካፕላን፡ እቲ መጽናዕቲ ኣብ ሳይንሳዊ ምርምር ዝፍጸም ጥሕሰት ስነ-ምግባር ኣዝዩ ልሙድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከም ዝተኻየደ ይገልጽ። \"ብሓቂ ከም ምዝንባዕ ሓዳር ዝኣመሰሉ ከበድቲ ጉድኣት ከተስዕብ ትኽእል\" ይብል። ብመንጽር ሳይንስ፡ እቲ መጽናዕቲ ንባዕሉ ብመሰረቱ ጉድለት ነይርዎ። ፐርልማን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ህጻናት ዝኣከብዎ መረዳእታ \"ግዕዙይ\" ከምዝነበረን፡ እቲ መጽናዕቲ ብጽቡቕ ከምዘይተወደበን ይዛረብ። ከምኡ’ውን ርኽበቱ ዝኾነ ሳይንሳዊ ጽሑፍ ኣይተሓትመን። ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ 2004፡ ናንሲን ፐርልማንን ምስቲ ወዲ 91 ዓመት ኖይባወር ተራኺቦም። ሽዑ እውን እንተኾነ ኖይባወር ዝኾነ ጣዕሳ ኣይገለጸን። ፐርልማን፡ \"ዝኾነ ጌጋ ከምዝፈጸመ ሓላፍነት ዝቕበል ኣይነበረን። ብስም ሳይንሳዊ መጽናዕቲ፡ ነቲ ዝኣከብዎ ሓበሬታ ንዘይጥቀሙሉ ነገር ነዞም ስድራቤታት መዝሚዞምዎም\" ይብል። እዚ ዅሉ ንኸንቱ ድዩ ነይሩ? እቲ ዝተኣከበ መረዳእታ እንታይ ኣጋጢምዎ? እቶም ካልኦት ብዘይፍላጥ ዝተሳተፉ፡ ንምንታይ እዮም ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ኣብቲ ሕማቕ ዕድል ዘጋጠሞ መጽናዕቲ ዝነበሮም ተሳትፎ ሓቀኛ መልሲ ዝደልዩ ዘለዉ? ኣብ ሓደ እዋን ጽቡቕ ተቐባልነት ዝነበሮ ትካል ሉዊስ ዋይዝ ሰርቪስስ፡ ኣብ 2004 ተዓጽዩ። መዛግብቲ ስርሑን ምርምርን ናብ ካልእ ስፐንስ-ቻፒን ዝበሃል ትካል ተመሓላሊፉ። ምቁጽጻር ናይቲ ምስቲ መጽናዕቲ ዝተኣሳሰር መዛግብቲ ግን ናይ ዘ ጂዊሽ ቦርድ ኦፈ ፋሚሊ ኤንድ ቺልድረንስ ሰርቪስስ እዩ። እቲ ቦርድ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ኣብ መጽናዕቲ ኖይባወር ዝኾነ ሓላፍነት ከምዘይብሉ ብትሪ ገሊጹ። ወሃቢ ቃል እቲ ቦርድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ \"ብሰንኪ ሕግታት ምስጢራዊነት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዞም መዛግብቲ መጽናዕቲ ዝርከብ ሓበሬታ ኣዝዩ ብሕታውን ውልቃውን ባህሪ ስለዘለዎ፡ ነቲ መዛግብቲ ምርካብ ድሩት እዩ\" ኢሉ። ንሳቶም ወሲኾም፡ ኩሎም እቶም ብህይወት ዘለዉ ተሳተፍቲ እቲ መጽናዕቲ፡ ሕጂ ብዛዕባ ተሳትፎኦም ክፈልጡ ከምዝተገበሩ ሓቢሮም። ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተኣከበ መረዳእታ ኣብ ዩኒቨርሲቲ የል ተዓጽዩ እዩ፡ ክሳብ 2065 ድማ ክኽፈት ኣይክእልን እዩ። ኖይባውር ነዚ ዝገበረ ነቶም ማናቱ ንምክልኻል ከምዝኾነ ይገልጽ። \"ንሓንቲ ደቒቕ'ውን ኣይኣምንን። ንነብሶም ንምክልኻል ዝተገብረ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ\" ትብል ናንሲ። ካፕላን፡ \"እቲ እንኮ ክኸውን ዝኽእል መግለጺ ሕፍረት ጥራይ እዩ ዝመስለኒ\" ብምባል ክዕጾ ዝተገብረሉ ምኽንያት ዘይብቕዓቶም ንምሕባእ እዩ ኢሉ ከምዝሓስብ ይገልጽ። ግን ዋላ’ውን እቲ መረዳእታ ብዝኾነ ትርጉም ዘለዎ መገዲ እንተሃለወ፡ ብሰንኪ ስነ-ምግባራዊ ስክፍታታትን ጉድለት ዘለዎ ባህሪ ናይቲ መጽናዕትን፡ ንሓዋሩ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ኣለዎ ድዩ የብሉን ኣብ ሕቶ ዝኣቱ እዩ። ንኣብነት ናንሲ ክግበር ዘይነበሮ መጽናዕቲ ምዃኑ ተጉልሕ። ስድራቤታት፡ ሕቶታቶም መልሲ ኣይረኸቡን። ተሓታቲ ክኾን ዝተገብረ ሰብ የለን። ንሴክለር ድማ፡ ታሪኻ ምንጋራ፡ ነቲ ዘሕምም ርኽበታ ብቐሊሉ ክትጻወሮ ከም ዘኽእላ ተስፋ ትገብር። ክሳብ ቀረባ እዋን ሰባት ማንታ ምዃና ምስ ፈለጡ፡ \"ብሓባር ምዕባይ ኣዝዩ ደስ ዝብል እዩ፡ ሓደ ዓይነት ክዳን ትለብሳ ነይርክን’ዶ...?\" ኢሎም ይሓትዋ’ዮም። ሴክለር፡ \"ሓሲየ፡ እወ ዝተፈላለየ ኣከዳድና ንኽደን ነይርና ... ይብል ከቢድ'ዩ\" ትብል። \"ስለዚ ኣነ ብገለ መልክዑ ሕጉስቲ እየ፡ ሰባት ነዚ ርእዮም እቲ ዛንታ ክፍለጥ ከምዝገብሩ ተስፋ ይገብር።\" እቲ መጽናዕቲ፡ ጂናትን ከባብን ኣብ መንነት ዘለዎም ተራ ንምፍታሕ ዝጸዓረ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ ኣብ ክንድኡ ግን ኣብ ህይወቶምን ኣብ ህይወት ስድራታቶምን ጸገም ኣስዒቡ'ዩ። ምስጢራዊ ሕደ ኣሕዋቶም ምርካቦም ንህይወቶም ንሓዋሩ ቀይርዎ። ሓደ ካብቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ስሉሳት ነብሰ ቅትለት ፈጺሙ። ናይ ስጋ ኣዲኦም'ውን ናይ ኣእምሮ ሕማም ታሪኽ ከም ዝነበራ ይእመን። ካልኦት ድማ ኣብቲ ፈተነ ብምስታፎም ሕርቃን፡ ሓዘንን ጣዕሳን ኣጋጢምዎም እዩ። ንገሊኦም ድማ ምስቶም ዘዕብይዎም ወለዶም፡ ልዕሊ ኹሉ ድማ ምስ ማንታኦም ዝነበሮም ርክብ ጸልይዎ እዩ። ሰክለር ወሲኻ፡ \"ብሓባር ኣይዓበናን ክሳብ ሎሚ'ውን እንተኾነ እዚ ኣዝዩ ከቢድ ክፋል ዝምድናና ኮይኑ ጸኒሑ'ዩ።\" ልዕሊ ኩሉ ድማ ነቶም ኣብዚ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ብዛዕባ እቲ መጽናዕቲ ዘልዓሎ ዓሚቝ ሕቶ ክሓቱ ኣገዲድዎም ኣሎ፡ ባህርያቶም ብሰንኪ እቶም ዝፈላለይዎም ሰባት ክሳብ ክንደይ ተጸልዩ ይኸውን?","category":"መፅናዕቲ ሕክምና\/ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyxrkvxdpl6o"} {"headline":"ጠንቂ ‘ቲ ሚልዮናት ዝቐዘፈ ‘ጸሊም ሞት’ ከም ዝተረኽበ ተመራመርቲ ገሊጾም","content":"ተመራመርቲ፡ ነቲ ኣብ መበል 14 ክፍለዘመን ኣቢሉ ኣብ ኤውሮጳ፡ ኤስያን ሰሜን ኣፍሪቃን ዓሰርተታት ሚልዮናት ሰባት ዝቐዘፈ ‘ጸሊም ሞት’ ዘስዓበ ተላጋቢ ሕማም፡ ድሕሪ ልዕሊ 600 ዓመታት መበገሲ እንታይ ምዃኑ ከም ዝረኸቡ ይኣምኑ። እዚ ኣብ መፋርቕ መበል 14 ክፍለ ዘመን ዘጋጠመ መቕዘፍቲ፡ ኣብ ታሪኽ ወዲ-ሰብ ካብ ዝተራእዩ ክፉኣት ተርእዮታት ሕማም እዩ። ተመራመርቲ ዓመታት ዝቐጸለ መጽናዕቲ’ኳ እንተካየዱ፡ እቲ ተላባዒ ቀዛፊ ሕማም ካበይ ከም ዝተበገሰ ክፈልጡ ኣይከኣሉን። ሕጂ ዝወጽእ ዘሎ ትንታነታት ሓድሽ ርኽበት ‘ምበኣር፡ እቲ ሕማም ኣብ ኪርጊስታን፡ ማእከላይ ኤስያ፡ ኣብ 1330ታት ከም ዝተላዕለ ዝሕብር እዩ። ካብ ዩኒቨርሲቲ ስተርሊንግ ስኮትላንድን፡ ካብ ማክስ ፕላንክ ኢንስቲትዩት ጀርመንን ዩኒቨርሲቲ ቱቢንገንን ዝተዋጽአ ሓደ ጕጅለ መጽናዕቲ፡ ኣብ ጥቓ ቀላይ ኢሲክ ኩል፡ ኪርጊስታን፡ ኣብ ዝርከብ መካነ መቓብር፡ ካብ ኣስናን ጥንታዊ ኣስከሬን ንዝወሰዶ ዲኤንኤ ተንቲኑ። እቲ ቦታ ዝተመረጸሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ኣብ 1338ን 1339ን ዓቢይ መጠነ-ሞት ዝተራእየሉ ከባቢ ብምባሩ እዩ። ዶክተር ማርያ ስፓይሩ ተመራማሪት ካብ ዩኒቨርሲቲ ቱቢንገን፡ እቲ ጉጅለ ካብ 7 ኣስከሬን ዲኤንኤ ከም ዝኣከበ ትገልጽ። ብመሰረት ሓበሬታ ዶ\/ር ስፓይሩ፡ እቶም ተመራመርቲ ኣስናን ዝተተንተኑሉ ምኽንያት፡ ስኒ ብዙሓት ሰራውር ደም ስለዘለዎምን፡ ካብኣቶም፡ \"እቲ ንሞት ብዙሓት ሰባት ከስዕብ ዝኽእል ብደም ዝመሓላለፍ ረኽሲ ናይ ምፍላጥ ልዑል ዕድል ስለዝህብ፡\" እዩ። እቲ ጕጅለ መጽናዕቲ፡ ኣብ ሰለስተ ካብቶም ሸውዓተ፡ ‘የርሲንያ ፔስቲስ’ ዝተባህለ ለበዳ ዘስዓበ ባክተርያ ክረኽቡ ክኢሎም። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስተርሊንግ ተመራማሪ ታሪኽ ዶክተር ፊሊፕ ስላቪን፡ ብዛዕባ'ቲ ርኽበት፡ \"ዘካየድናዮ መጽናዕቲ፡ እቲ ታሪኸኛ ቀዛፊ ለብዒ መዓስን ኣበይን ከም ዝጀመረ ዘረጋግጽ ኰይኑ፡ ንሓደ ካብቶም ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ዝዓበዩ ግድላት መዕለቢ ዝገብር እዩ፡” ኢሉ። እዚ መጽናዕቲ ኣብ ኣዝዩ ውሑድ ቍጽሪ ዝተደረተ ብምዃኑ ግን ከም ሕጽረት ይግለጽ። ዶ\/ር ሚካኤል ናፕ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኦታጐ ስዊዘርላንድ ብዛዕባዚ ርእይቶኡ ሂቡ’ሎ። ንሱ ዘይኣባል’ዚ ጕጅለ መጽናዕቲ ኰይኑ፡ ብዛዕባ’ቲ ውጽኢት ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ መጽናዕቲ “ብሓቂ ልዑል ዋጋ ዘለዎ እዩ” ኢሉ ኣኽብሮቱ ብምግላጽ፡ “ካብ ብዝሕ ዝበሉ ኣስከሬናትን ካብ ዝተፈላለየ ቦታታትን ዝውሰድ ቅምሶ ክኸውን እንተዝኽእል፡ ነቲ ውጽኢት ንምንጻር ዝያዳ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል’ዩ፡” ክብል ሓሳብ ሂቡ። እዚ መጽናዕታዊ ስራሕ፡ “መበገሲ ጸሊም ፌራ መበል 14 ክፍለዘመን ማእከላይ ኤስያ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ሓደ ‘Nature’ ዝተባህለ ጆርናል ተሓቲሙ። ብመሰረት ሓበሬታ ዶ\/ር ስፓይሩ፡ እቶም ተመራመርቲ ኣስናን ዝተተንተኑሉ ምኽንያት፡ ስኒ ብዙሓት ሰራውር ደም ስለዘለዎምን፡ ካብኣቶም፡ \"እቲ ንሞት ብዙሓት ሰባት ከስዕብ ዝኽእል ብደም ዝመሓላለፍ ረኽሲ ናይ ምፍላጥ ልዑል ዕድል ስለዝህብ፡\" እዩ። እቲ ጕጅለ መጽናዕቲ፡ ኣብ ሰለስተ ካብቶም ሸውዓተ፡ ‘የርሲንያ ፔስቲስ’ ዝተባህለ ለበዳ ዘስዓበ ባክተርያ ክረኽቡ ክኢሎም። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስተርሊንግ ተመራማሪ ታሪኽ ዶክተር ፊሊፕ ስላቪን፡ ብዛዕባ'ቲ ርኽበት፡ \"ዘካየድናዮ መጽናዕቲ፡ እቲ ታሪኸኛ ቀዛፊ ለብዒ መዓስን ኣበይን ከም ዝጀመረ ዘረጋግጽ ኰይኑ፡ ንሓደ ካብቶም ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ዝዓበዩ ግድላት መዕለቢ ዝገብር እዩ፡” ኢሉ። እዚ መጽናዕቲ ኣብ ኣዝዩ ውሑድ ቍጽሪ ዝተደረተ ብምዃኑ ግን ከም ሕጽረት ይግለጽ። ዶ\/ር ሚካኤል ናፕ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኦታጐ ስዊዘርላንድ ብዛዕባዚ ርእይቶኡ ሂቡ’ሎ። ንሱ ዘይኣባል’ዚ ጕጅለ መጽናዕቲ ኰይኑ፡ ብዛዕባ’ቲ ውጽኢት ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ መጽናዕቲ “ብሓቂ ልዑል ዋጋ ዘለዎ እዩ” ኢሉ ኣኽብሮቱ ብምግላጽ፡ “ካብ ብዝሕ ዝበሉ ኣስከሬናትን ካብ ዝተፈላለየ ቦታታትን ዝውሰድ ቅምሶ ክኸውን እንተዝኽእል፡ ነቲ ውጽኢት ንምንጻር ዝያዳ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል’ዩ፡” ክብል ሓሳብ ሂቡ። እዚ መጽናዕታዊ ስራሕ፡ “መበገሲ ጸሊም ፌራ መበል 14 ክፍለዘመን ማእከላይ ኤስያ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ሓደ ‘Nature’ ዝተባህለ ጆርናል ተሓቲሙ። እዚ ሕማም ፌራ፡ ቀታሊ ተላባዒ ሕማም ኰይኑ፡ ኣብ ገለ እንስሳታት - ብቐንዱ ኣብ ዓሌት ኣናጹ - ከምኡ'ውን ኣብኣተን ዝጽግዑ ኣቝናጭን ብዝነብሩ ‘የርሲንያ ፔስቲስ’ ብዝተባህሉ ባክተርያ ዝስዕብ እዩ። ‘ቡቦኒክ’ እቲ ዝውቱር ዓይነት ሕማም ፌራ ኰይኑ ንሰባት ከጥቅዕ ዝኽእል እዩ። እቲ ዝተዋህቦ ስም ካብቲ ዘስዕቦ ምልክታት ማለት - ቃንዛ፡ ሕበጥ ወይ ነድሪ ጽክታት ኣብ ከባቢ ረቃቒቶ፡ ምጥንቧቕ ሱር ዕያገነዳ(ሊምፍ) ፡ ዝኣመሰሉን - ዝመጸ እዩ። ካብ 2010 ክሳብ 2015፡ ብደረጃ ዓለም 3248 ሰባትበዚ ሕማም ከም ዝተጠቕዑን፡ 584 ከም ዝሞቱን ይፍለጥ።","category":"መፅናዕቲ ሕክምና\/ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4nj3j5ndx8o"} {"headline":"ሰባት ስለምንታይ እዮም ንርእሶም ዘታልሉ? መፍትሒኡ ኸ?","content":"ሰባት ብዙሕ ግዜ ዘይንሶም ኰይኖም ይቐርቡ፣ እቲ ሓቀኛ ንስነቶም ክትረኽቦ ኸኣ የጸግም። እዚ ኸኣ ካብ ርእሰ-ምትላል ወይ ጥበራ ዝጅምር ምዃኑ ተመራመርቲ ይገልጹ። ሰባት ንገዛእ ርእሶም የታልሉ’ሞ ነቲ ዘታልልዎን ንነብሶም ዝሕስውዎን ባዕላቶም ንቕድም ይኣምንዎ። ስለምንታይ እዮም ግን ሰባት ንነብሶም ዘታልሉ? ወይ ከታልሉ ዘድልዮም? ሜድያ ሎሚ ኣብ ሓሶት ብዝነብሩ ሰባት መሊኡ’ሎ። ንዅሎም እዞም ሓሰውቲ ሰባት ዘመሳስሎም፡ እቲ ንኻልኦት ዝነገርዎ ሓሶት ጥራይ ዘይኰነስ እቲ ንገዛእ ነብሶም - ንባዕሎም ዝነገርዎ ሓሶት’ዩ። እዞም ሰባት ተግባራቶም ወይ ዘረባኦም ብገለ ምኽንያት ምኽኑይ ምዃኑ እዮም ዝኣምኑ፣ ብዝዀነ መገዲ ድማ ፈጺሙ ከምዘይክሻሕ ወይ ከም ዘይፍለጡ ይኣምኑ። ነዚ ደረጃ’ዚ ንምብጻሕ ግን ኣቐዲሞም ብውልቂ ደጋጊሞም ነቲ ክውንነት ይኽሕድዎ’ሞ ብእምነቶም ይታለሉ፣ ንኻልኦት ድማ ናብቲ ምትላሎም ጐቲቶም የእትው። እዚ ዓይነት ባህሪ ሰባት ሳሕቲ ዝረአ፡ ኣብ ውሱን ‘ፈታኒ ኵነታት’ ዝዝውተር እዩ ዝመስል። ርእሰ-ምትላል ግን ንምእማኑ ብዘጸግም ኣብ ብዙሕ ሰብ ልሙድ እዩ። እቲ ቀንዲ ሕቶ ክሳዕ ክንደይ ንባዕልኻ እሙን ኢኻ? እዩ። ኣብ ገለ ሰባት፡ ገለ ረብሓታት ንምርካብ ዝማዕበለ ክኸውን ከም ዝኽእል ይእመን። ባዕለ-ምስልና ወይ እቲ ባዕልና ዝፈጠርናዮ ናይ ገዛእ ርእስና ምስሊ ንምሕላው ንርእስና ንሕሱ። እዚ ኸኣ ሕልናኻ እናሓለኻ ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባር ክትገብር’ውን የኽእል እዩ። ብመሰረት እቲ ኣብዚ ዛዕባ ኣተኵሩ ዝግበር መጽናዕቲ፡ ርእሰ-ምትላል ንኻልኦት ከነእምን ወይ ክንምስጥ ንኽሕግዘና ዝልመድ ባህሪ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ተመራመርቲ ከም ዝብልዎ ድማ፡ ንናይ ገዛእ ርእስና ሓሶት ክንኣምን እንተጀሚርና፡ ንኻልኦት ሰባት ከነእምን ኣዝዩ ቀሊል’ዩ። ክኢላታት ስነ-ኣእምሮ፡ ብዛዕባ’ቲ ሰባት ዝገብርዎ ርእሰ-ምትላል፡ ብሳይንሳዊ ኣገባብ ምጽንዑ ‘ሕማም ርእሲ’ - ኣጸጋሚ ምዃኑ እዮም ዝገልጹ። ሓደ ሰብ፡ እቲ ንነብሱ ዘታልለሉ መስርሕ ኣብ ትሕተ-ንቕሓት ስለ ዝፍጸም፡ ‘ንነብስኻ ዶ ትሕስዋ ኢኻ?’ ኢልካ ክትሓቶ ኣጸጋሚ እዩ - ነቲ ዝሕስዎ ድሮ ብውሽጡ ተቐቢልዎን ኣሚንዎን ክኸውን ስለዝኽእል፡ ነብሱ ይጥብር ከም ዘሎ ዘይክእመነልካ ይኽእል። ስለዚ፡ እቲ ፈተነታት መብዛሕትኡ ግዜ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ እዩ። ፕሮፈሰር ዞ ቻንስ፡ ካብ የል ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዘካየደቶ መጽናዕቲ፡ እቶም ከታልሉ ዕድል ዝረኸቡ ሰባት፡ ዝረኽብዎ ውጽኢት ከም ምልክት ብልሒ ምዃኑ ብምግማት፡ ኣብ ርእሰ-ምትላል ክዋፈሩ ተኽእሎ ኣሎ፣ ዋላ ቀዲሖም ኣታሊሎም ዝረኸብዎ ውጽኢት ብብልሖም ከም ዝረኸብዎ ንነብሶም ከእምኑ ይኽእሉ። እዚ ሓጺር ዝጸንሕ ብርእሰ-ምትላል ዝርከብ 'ስነ-ኣእምሮኣዊ ረብሓ' ግን፡ ንግዚኡ እምበር ኣብ ነዊሕ፣ ኣብ ዘይዓቕምኻን ዘይቦታኻን ዘቐምጥ፡ ካባኻ ዝግበር ትጽቢት ዘዕቢ ጐዳኢ ምዃኑ እዩ ዝንገር። መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኽሕዙ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ነቲ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ [ዘይቅቡል] ባህርያቶም ምኽንያታዊ ክገብርዎ እዮም ዝፍትኑ። ሰባት ነቲ ካብ ኣሉታዊ ባህርያት ዝመጽእ ኣወንታዊ ውጽኢት ተጠቒሞም ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ዘለዎም ርእይቶ ንምዕባይ ከም ዝኽእሉ መጽናዕቲ የረጋግጽ። ስለዚ ሰባት ካብ ዘለውዎ ንላዕሊ በላሕቲ መሲልዎም ንነብሶም የደናግሩ፣ ነቲ ዝሃነጽዎ 'ባዕሊ' ድማ ብጥበራ ይሕልውዎ። እንታይ ብዘይገድስ ብዛዕባ’ቲ እትረብሖ ነገር ኣቐዲምካ ምፍላጥ፡ ሰባት ነብሶም-ከታልሉ ጽልዋ ከም ዘሕድር ዩሪ ግኒዝ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርኒያ ብመሰረት ዘካየዶ መጽናዕቲ ይገልጽ። በዚ መንገዲ ነብስ-ምትላል ንናይ ስነ-ምግባር መረዳእታና’ውን ይውስኖ እዩ፡ ይብል ግኒዝ ኣብ መጽናዕቱ። \"ርእሰ-ምትላል ማለት ብሓጺሩ፡ [ዝዀነ ይዅን] ንገዛእ ርእስኻ ከም ቅኑዕ ሰብ ምርኣይ ማለት'ዩ\" ይብል፤ ዋላ'ውን ተግባራትና ብኣንጻሩ እንተዀነ ብውሽጥና ግን ከም ቅኑዓት ንነብስና ንጥብር። እዚ ዓይነት ርእሰ-ምትላል ምስ ገንዘብ ኣብ ዝተኣሳሰር ነገር ዝያዳ ጐሊሑ ክርአ ይኽእል እዩ፡ ብምባል ኣብ ሓደ ብሕታዊ ትካል ጥዕና ዘካየዶ መጽናዕቲ ከም ኣብነት የቕርብ። ሓደ ሓኪም ገንዘባዊ መኽሰቡ ብውሽጢ - ወይ’ውን ብትሕተ-ውነኡ - ክሓስብ ይኽእል እዩ። እቲ ሓኪም ጽቡቕ ዕላማ’ኳ እንተሃለዎ፡ ብዘይፍላጥ ንነብሱ ከታልል ይኽእል፣ ንሓደ ሕሙም እቲ ዝኸበረ ዓይነት ሕክምና እቲ ዝበለጸ እዩ ኢሉ ከእምኖ ይኽእል፤ ኣብ ከምዚ’ታት ድማ ባህሪ ርእሰ-ምትላል ብውሽጢ ኰይኑ ዘይክልለ ይኽእል እዩ፣ ነቲ ትብሎን ነቲ ክቡር ዓይነት ሕክምና ከም ፍጹም ብሉጽ ጌርካ ምውሳድ ኣቐዲምካ ክትኣምኖን ኣብ ውሽጥኻ ከተእትዎን ስለ ዝከኣል። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ሳዕቤን ርእሰ ምትላል ምስ ካልኦት ኣብ እንገብሮ ዝርርብ ዝምልከት እዩ።\\nብመሰረት እዚ ክልሰ-ሓሳብ፡ ርእሰ-ምትላል ኣብቲ እንብሎ ዘለና ዝያዳ ርእሰ-ተኣማንነት ንኽህልወና ኸኣ የኽእለና እዩ። እዚ ድማ ዝያዳ ተኣመንቲ ይገብረና። ኣብ ቀረባ እዋን ብፒተር ሽዋርድማን ዝተባህለ ተሓጋጋዚ ፕሮፈሰር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካርነጊ ሜሎን ኣሜሪካ ዝወጸ መጽናዕቲ ነዚ ሓሳብ መርትዖታት ይህብ። ሽዋርድማን ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ እቲ ርእሰ-ምትላል ዝያዳ ፍረ ከም ዝሃበ ዘርኢ እዩ። ካብቶም መጽናዕቲ ዘካየደሎም ሰባት፡ እቶም መሰረት ዘይብሉ ልዕሊ ዓቐን ርእሰ-ምትእምማን ከም ዝህልዎም ዝተገብሩ ሰባት፡ ኣብቲ ዝተዳለወ ፈተና ዘለዓለ ውጽኢት ኣመዝጊቦም። ሽዋርድማን፡ ኣብ ውድድራት ክትዕ ዘካየዶ ተመሳሳሊ መጽናዕቲ’ውን ተመሳሳሊ ውጽኢት ተዓዚቡ። ኣብዚ እቶም ተሳተፍቲ ዝካትዑሉ ዝዀነ ኣርእስቲ ይወሃቦም። 15 ደቓይቕ ቅድሚ ሞጕቶም ከኣ ንምድላው ዕድል ተዋሂብዎም። ኣብ እዋን ክትዕን ድሕሪኡን፣ ነቲ ዝሓዝዎ ኣርእስቲ ክሳብ ክንደይ ጽቡቕ ጌሮም ከምዘቕርብዎ ወይ ክዛረቡሉ ክኢሎም ከኣ ይፍረዱ። ሽዋርድማን፡ እቶም ተሳተፍቲ ኣቐዲሙ ቅድሚ’ቲ ክትዕ ብዛዕባ’ቲ ዘልዓልዎ ጉዳይ ዝነበሮም ውልቃዊ መረዳእታ ይመዝን። መርገጺኦም ቅድሚ ምግላጾም፡ ኣርእስቲ ተዋሂብዎም ምድላው መጐተ ምስ ጀመሩ፡ ከምኡ’ውን ድሕሪ’ቲ ክትዕ፡ ብዛዕባ’ቶም ኣርእስታት ዘለዎም ውልቃዊ እምነት እቶም ተሳተፍቲ መዚንዎ። እቲ ውጽኢት፡ 'ርእሰ-ምትላል፡ ወይ ንርእስኻ ምጥባር ንኻልኦት ንኸተእምን ይሕግዝ እዩ' ዝብል ሓሳብ ብምስምማዕ፣ ሰባት ኣየናይ ወገን ናይቲ ክትዕ ክካትዑ ከም ዘድልዮም ምስ ተነግሮም፡ ውልቃዊ ርእይቶኦም ብዓቢኡ ከም ዝቕየር ኣብ ውጽኢቱ ረኺቡ። “ውልቃዊ እምነቶም ምስቲ ንኻልኦት ናይ ምእማን ሸቶታቶም ንምስምማዕ ናብቲ ቅድሚኡ፡ 15 ደቓይቕ ጥራይ ቀዲሙ ዝተዋህቦም ሸነኽ ተሰጋጊሩ፡” ይብል ሽዋርድማን። እዞም ተሳተፍቲ’ቲ መጽናዕቲ፡ ድሕሪ’ቲ ዘካየድዎ ክትዕ፡ ንማሕበራት ግብረ ሰናይ ገንዘብ ክልግሱ’ውን ዕድል ተዋሂብዎም። ካብቲ ብዙሕ ዝርዝራት ናይተን ትካላት ከኣ ነተን ምስ መርገጺ ስነ-መጐቶም ዝሰማምዓ ትካላት ክመርጹ ተራእዮም። እዚ ኸኣ ነቲ ድሮ ኣብ ውሽጦም ዝኣመንዎ ነገራት የረጋግጽ። መብዛሕትኦም ርእይቶታትናን ኣረኣይታታትናን ብኸምዚ መገዲ ተቐሪጾም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ፖለቲካ፡ ኣብ ሓደ ዛዕባ ጐስጓስ ክገብር ዝተሓተተ ሓደ ጎስጓሲ\/ፖለቲከኛ፡ ነቲ ዝተላዕለ ዛዕባ ዝኣመነሉ ወይ ክብሎ ዝደለየ ሓደ መገዲ እታ ዝብላ ጥራይ ሓቂ ምዃና ከእምን ዝመጽእ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ግን ሓቅታት ብጥንቃቐን ውድዕነትን ስለ ዝገምገመ ዘይኮነስ፡ [ልክዕ ከምቶም ኣርእስቲን መስመር ምጕትን ተዋሂብዎም ዝካትዑ ተመሃሮ፣ ንእለት ነቲ ዝብልዎ ንቕድም ንነብሶም ኣሚኖም ንኻልኦት ከእምኑ ዝጽዕሩ] ብኸምኡ ከቕርብ ወይ ክማጐት ተነጊርዎ ስለዝመጽእ ጥራይ እዩ። ሽዋርድማን፡ እዚ መስርሕ’ዚ ጠንቂ ናይዚ ሎሚ ንርእዮ ዘለና ፖለቲካዊ ምትፍናን ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ዝብል ገምጋም የቐምጥ። በዚ ዅሉ መገድታት ሓንጐልና ሓቂ ዘይኮነ ነገራት ክንኣምን ከሀውትተና ይኽእል እዩ። ርእሰ-ምትላል፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ዓቕምታት ዘለና ርእይቶ ክንነፍሕ ይገብረና፤ ስለዚ ካብ ኵሎም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ከም ዝበላሕና ንኣምን። ተግባራትና ኣብ ካልኦት ሰባት ዝፈጥሮ ሳዕቤን ዕሽሽ ንብሎ ማለት እዩ፣ ስለዚ ብሓፈሻ ብስነምግባራዊ መገዲ ግብሪታትና ብቕኑዕ መገዲ ንፍጽም ኣለና ኢልና ንኣምን ማለት እዩ። ከምኡ’ውን ብዛዕባ ሓቅነት እምነትና ንነብስና ብምትላል፡ ኣብ ርእይቶታትና ዝዓበየ እምነት ነርኢ - እዚ ድማ ብግዲኡ ንኻልኦት ንኽንምስጥ ክሕግዘና ይኽእል። ኣብ ኣእምሮ ገለ መደናገርቲ ተራ ሰባት፡ ፖለቲከኛታት ወይ ስነጥበበኛታት ወይ ካልኦት እንታይ ከም ዘሎ ብልክዕ ክንፈልጥ ኣይከኣልን እዩ፣ ግን ከኣ ምግማቱ ቀሊል እዩ። እዞም ከምዚኦም ሰባት ብውሕዱ፡ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሶም ዓቕምን ዝደልይዎ ንምርካብ ኣለና ዝብልዎ ዝኣምንዎ መሰልን ዝንቡዕ መረዳእታ ከም ዘለዎም፤ እቲ ዝገብርዎ ክህልዎ ዝኽእል ስነ-ምግባራዊ ጽልዋ ዕሽሽ ዝብልዎ ምዃኖምን ንምርዳእ ኣየጸግምን። ሽዋርድማን ገለ መደናገርቲ ንምእማኑ ኣብ ዘጸግም ዝርዝር ሓሶት ክነብሩ ይኽእሉ እዮም፡ ይብል። ገሊኦም ሓሶቶም ኣብ ሕቶ ምልክት ክኣቱ እንከሎ ጻድቓት ዘምስሎም ቍጥዐ እዮም ዘርእዩ። “ምናልባት እዚ፡ ማዕረ ክንደይ ብናይ ገዛእ ርእሶም ሓሶት ከም ዝዕደጉን ዝተዋሕጡን ምዃኖም ዘርኢ ምልክት ክኸውን ይኽእል’ዩ፡” ይብል። ማሕበራዊ ደረጃኻ ክብ ናይ ምባል ድሌት፡ ሰባት ንርእሰ-ምትላል ዘለዎም ዝንባለ ክውስኽ ይኽእል። ንኣብነት ሰባት ካብ ካልኦት ሰባት ስግኣት ክስምዖም ከሎ፡ ብዛዕባ ዓቕሚ ገዛእ ርእሶም ዘለዎም ኣረኣእያን ናይ ምንፋሕ ተኽእሎኦምን ክዓቢ ይርአ። እቲ ስግኣት እናዓበየ ብዝኸደ መጠን፡ ብዛዕባ ነብስና ንገዛእ ርእስና እንነግሮ ሓሶት ዝዓቢ ምዃኑ መጽናዕቲ ሽዋርድማን የመልክት። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ርእሰ-ምትላልና ንጹህ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ካብቲ ምኽኑይ ንላዕሊ፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ቅሩብ ዝያዳ ርእሰ-ምትእምማን ንኽስምዓና ይሕግዝ እዩ። ግን ህይወት ክቕይሩ ዝኽእሉ ውሳነታት ኣብ እንወስደሉ እዋን፡ ነዞም ዝንባለታት’ዚኦም ምፍላጥ ዋጋ ኣለዎ። ንኣብነት ኣብ ዘለኻዮ ስራሕ ብሕጊ ዘሕትተካ ዘይሕጋዊ ነገር ምስራሕ፣ ካብ ጽቡቕ ስራሕካ ስቕ ኢልካ ሞያ ብምቕያር ዓወት ናይ ምርካብ ዘሎ ተኽእሎታት ንነብስኻ ክትቅሽሽ ኣይትደልን ኢኻ። ካብ ርእሰ-ምትላል ንምግልጋልን ንዅሉ ዓይነት ህኑጽ ስምዒታት ንምብንጫር፡ ነቲ ዝሰራሕካዮ መደምደምታ ነገራት “ኣንጻሩ ኣብ ግምት ምእታው” እዩ። ልክዕ ነብስኻ ከም እትምርምር ዘለኻ ሓሲብካ፡ እምነታትካ ምፍታሽ የድሊ። እዚ ድማ ብዛዕባ ሓደ ኵነታት ብዝያዳ ብትንተና ብርትዒ ክንሓስብን ክንርዳእን ዝመርሓና ቀሊል ኣገባብ ምዃኑ ብዙሓት መጽናዕትታት ኣረጋጊጾም እዮም። እዚ ‘ስርዓታዊ ምኽንያት’፡ ንሰባት “ብርትዓዊ ኣገባብ ሕሰቡ” ኢልካ ጥራይ ካብ ምንጋር ዝያዳ ኣድማዒ ምዃኑ ይረጋገጽ። እዚ ዝከኣል ግን ብርግጽ፡ ‘ብዛዕባ ርእሰ-ምትላል’ ኣብ ነብስኻ ዘማዕበልካዮ ጉድለታት ክትቅበል ምስ እትኽእል ጥራይ እዩ። እቲ ቀዳማይ ስጕምቲ ነቲ ጸገም ኣፍልጦ ምሃብ እዩ። ምናልባት እዚ ምኽሪ’ዚ ንዓይ ኣየድልየንን’ዩ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን፤ “ርእሰ-ምትላል ንኻልኦት ጥራይ እዩ ዘሳቕዮም፡” ኢልካ፡ ንስኻ ግን ምስ ነብስኻ ፍጹም ቅኑዕ ምዃንካ ክትኣምን ትኽእል ኢኻ። እዚ ግን ንባዕሉ፡ እቲ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ሃልወሳኻን ርእሰ-ጥበራን ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ።","category":"መፅናዕቲ ሕክምና\/ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyrd4n31xr2o"} {"headline":"ሓንጎልና እንተወሓደ ንሓደ ወርሒ ናይ ምዝካር ዓቕሙ ክውስኽ ዘነቓቕሕ ቴክኖሎጂ","content":"ተመራመርቲ፡ ጉድኣት ብዘየስዕብ መገዲ ንገለ ክፋል ሓንጎል ብኤሌክትሪክ ብምንቕቓሕ፡ እንተወሓደ ንሓደ ወርሒ ሰባት ናይ ምዝካር ዓቕሞም ክዓብይ ዘኽእል ቴክኖሎጂ ከምዘማዕበሉ ኣፍሊጦም። ፈተነ ዝተኻየደሎም ወለንተኛታት ኣብ ናይ ቃላት ምዝካር ጸወታታት ዝሓሸ ኣፈጻጽማ ከምዘርኣዩ ዝተገለፀ ኮይኑ፡ እዚ ለውጢ ድማ ኣብ ቅጽበታዊ \"ናይ ስራሕ\" ዝኽሮምን ናይ ነዊሕ ግዜ ዝኽሮምን ከምዝተረኣየ ተመራመርቲ ሓቢሮም። እቲ ውጽኢት ንመዓልታዊ ህይወት እንታይ ትርጉም ክህልዎ ከምዝኽእል ግን ዛጊድ ንጹር ኣይኮነን። ሓሳብ እቶም ተመራመርቲ ግን ነቲ ኣረጋውያን ዘጋጥሞም ድኽመት ዝኽሪ ክመሓየሽ ካብ ምግባር ብተወሳኺ፡ ክሳብ ሕማማት ምሕካምን ተምሃሮ ንፈተና ኣብ ዝገብርዎ ምድላው ምሕጋዝን ዝበጽሕ እዩ። ዶክተር ሮበርት ራይንሃርት ካብ ዩኒቨርሲቲ ቦስተን፡ ነቲ ናይ ምንቕቓሕ ሜላ \"ንክፋላት ሓንጎል ንምንጻልን ንምዕባይን ዝሕግዝ ፍጹም ዝተፈልየ ኣገባብ\" ክብል ይገልፆ። እዚ ድማ \"ምሉእ ብምሉእ ሓድሽ ዓውዲ ተኽእሎ ኣማራጺታት ሕክምና\"  ክህልዉ ከምዘኽእል ሓቢሩ። ኣብቲ ፈተነ ዝተሳተፉ ወለንተኛታት ብኤሌክትሮድ ዝተመልአ ቆቢዕ ገይሮም ነይሮም። ድሕሪኡ፡ ስሓ ዝፈጥር ወይ ፀላዕላዕ ዘብል ቁጽጽር ዝግበረሉ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ብምጥቃም ኣብቲ ዝድለ ክፋል ሓንጎል ማዕበላት ክፈጥር ተገይሩ። እቶም ወለንተኛታት ንኣርባዕተ ተኸታታሊ መዓልታት መዓልታዊ ን20 ደቓይቕ ምንቕቓሕ ሓንጎል ተገይሩሎም። ኣብቲ መጽናዕቲ ድማ ድሕሪ ሓደ ወርሒ መሊሶም ክዛረብዎ ዝግባእ ዝርዝር ቃላት ክዝክሩ ትፅቢት ይግበር። ዶክተር ራይንሃርት እቲ ሕክምና \"ብውሑዱ ንሓደ ወርሒ ዝጸንሕ ውሱን ምምሕያሽ ዝኽሪ ከምፅእ ይኽእል'ዩ\" ኢሉ’ሎ። እቲ ኣብ መጽሔት ኔቸር ኒውሮሳይንስ ዝተሓትመ ውጽኢት ከምዘመልክቶ፡ እቶም ኣብ መጀመርታ ናይቲ ፈተነ ምስቲ ናይ ዝኽሪ ጸወታታት ፀገም ዝረኣዮም ዝነበሩ ወለንተኛታት፡ ፀኒሑ ዝኽሮም ዝያዳ ዝተመሓየሸ ከምዝኾነ ተረጋጊፁ። እቶም ኤሌክትሪካዊ ምልክታት፡ ኣብቲ ዝድለዩ ከባቢታት ንዘሎ ህርመት ንጥፈታት ሓንጎል ወይ ማዕበላት ሓንጎል እዮም ዝቕይርዎ። ተመራመርቲ፡ እቶም ብኣርባዕተ ዙርያ ዝተኻየዱ ምንቕቓሕ ሓንጎል፡ ነቶም ንድፊታት ከምዘደልደሉን ሓንጎል ንርእሱ እናተኣሳሰረ ብምኻድ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ምምሕያሻት ከምዘርኣዩን ይገልፁ። እዚ ድማ ብ ‘ኒውሮፕላስቲሲቲ’ ዝፍለጥ ኮይኑ \" ምስቲ ቋንቋ ሓንጎል ዝበሃል ክራኸብ ዝገብር፤ ምስ ገዛእ ርእሱ ዝዛረብን ብኤሌክትሪካዊ ድርኺት ምስ ገዛእ ርእሱ ዝረዳዳእን ዓይነት ምትእስሳር'ዩ\" ይብል ዶክተር ራይንሃርት። ይኹን እምበር፡ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ዝኽሪ ንምዕባይ ዝተፈላለዩ ዓይነት ንምቕቓሕ እዩ ዝሓትት፡ ኣብቲ ፈተነ ዝተሳተፉ 150 ወንተኛታት ኩሎም ፀገም ጥዕና ዘይነበሮም፡ ናይ ኣእምሮኣዊ ጸገም ዘይብሎም፤ ዕድሚኦም ካብ 65 ክሳብ 88 ዓመት ነይሮም። ዝያዳ ረሳዒ ምዃን መብዛሕትኡ ግዜ ምልክት ምድፋእ ዕድመ እዩ። እዚ ዓይነት ምንቕቓሕ ሓንጎል ግን ኪኖ ጸወታ ቃላት፡ ነቲ ዝኣረገ ሓንጎል ክሕግዞ ይኽእል ድዩ ኣይክእልን ዝብል ክሳብ ሕጂ ኣይተፈልጠን። ሕማም ኣልዛይመርስ ሓዊሱ ሕማም ዕላለ (ዕብደት)፡ ብሰንኪ ኣብ ሓንጎል ዘጋጥም ሞት ዋህዮታት ዝመጽእ እዩ - እዚ ድማ ናብ ናይ ምዝካር ክእለት ፀገም የምርሕ። እቶም ተመራመርቲ፡ እቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ሕማም ኣልዛይመርስ ከምኡ'ውን ኣብ ‘ስኪዞፍረኒያ’ን ውጥረት ዝመልኦ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ዘለዎምን ሰባት፡ ነቶም ብህይወት ዘለዉ ዋህዮታት ሓንጎል ንምንቕቓሕ ክውዕል ይኽእል ድዩ ኣይክእልን ኣብ ምምርማር ይርከቡ። ዳይረክተር ትካል ምርምር ኣልዛይመርስ ዓባይ ብሪጣንያ ዶክተር ሱዛን ኮህልሃስ፡ \"እቲ ናይ ሓንጎል ምንቕቓሕ ሜላታት ሕማም ረሲዕ (ኣልዛይመርስ) ንዘለዎም ሰባት ናይ ምሕጋዝ ዓቕሚ እንተሃልይዎ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ኣብዚ መዳይ ግን መጽናዕቲ ይካየድ ኣሎ\" ኢላ።","category":"መፅናዕቲ ሕክምና\/ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cl43nkv5mjro"} {"headline":"ህይወት ዝቕይር መድሃኒት ዓይነት 1 ሕማም ሽኮር ኣብ ኣሜሪካ ተፈቒዱ","content":"ንዕቤት ዓይነት 1 ሕማም ሽኮር ከም ዘደናጉዮ ዝተረጋገጸ \"ህይወት ዝቕይር\" መድሃኒት ፍወሳ ምክልኻል ዓቕሚ፡ ኣብ ኣሜሪካ ካብ ተቖጻጸርቲ ፍቓድ ረኺቡ። እዚ \"ሓድሽ ዘመን\" ሕክምና ዘመልክት 'ቴፕሊዙማብ' ዝተበሃለ መድሃኒት፡ ንመጀመርታ ግዜ ነቲ ምልክታት ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ሱር ጠንቂ እቲ ሕማም ከም ዝቃለስ ክኢላታት ይገልጹ። ንናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዳግማይ ክደላደል ብምግባር እቶም ኢንሱሊን ዘፍርዩ ጣፍያዊ ዋህዮታት ብጌጋ ከይጥቅዑ ዝገብር እዩ። እቲ መድሃኒት ፍቓድ ምርካቡ ኣብ ኣብ ካልኦት ሃገራት እውን ተመሳሳኪ ፍቓድ ንክረክብ መንገዲ ክኸፍት ተኽእሎ ኣሎ። ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 8.7 ሚልዮን ሰባት ዓይነት 1 ሕማም ሽኮር ኣለዎም። ኣብ እንግሊዝ እዚ ኩነታት ልዕሊ 29 ሽሕ ህጻናት ሓዊሱ ን400 ሽሕ ሰባት ይጸሉ። ኣብ ዓይነት 1 ሕማም ሽኮር፡ ስርዓተ ምክልኻል ሕማም (ንባክተርያን ቫይረሳትን ዝቃለስ) ብጌጋ ነቶም ኢንሱሊን ዘፍርዩ ቁልፊ ዋህዮታት ጣፍያ የጥቅዕ። ኢንሱሊን ኣብ ጥዕና ደቂ ሰባት ወሳኒ እዩ፤ ኣካላትና ሽኮር ንጸዓት ንኽጥቀመሉ ይሕግዝ። መብዛሕትኦም እዋናዊ ሕክምናታት፡ ሰባት ሽኮር ደሞም ኣብ ምፍታሽን ኢንሱሊን ብመርፍእ ወይ ብኢንፉዥን መዓልታዊ ኣብ ምውሳድን ዘተኮረ እዩ። እቲ መድሃኒት ንገለ ነቲ ሕማም ልዑል ሓደጋ ዘለዎም ሰባት ብማእከላይ ገምጋም ንሰለስተ ዓመት ከም ዘደናጐዮ ኣብ 2019 ዝተገብረ ፈተነ የመልክት። እዚ ምድንጓይ ብፍላይ ኣብ መንእሰያት፡ መዓልታዊ ኢንሱሊን ክወስዱ ወይ ሽኮሮም ከምኡ ብጽዑቕ ክከታተሉ ስለዘይግደዱ ውጽኢቱ ኣዝዩ ርኡይ ክኸውን ከምዝኽእል ክኢላታት ይዛረቡ። ሰባት ሽኮር ደሞም ኣብ ጥዑይ ደረጃ ኮይኑ ንዝያዳ ዓመታት ከሕልፉ ከምዝኽእሉን፡ ካብ ከም ሕማም ኩሊት ወይ ዓይኒ ዝኣመሰሉ ልዑል ሽኮር ደም ዘስዕቦም ጸገማት ንምክልኻል ዝያዳ ግዜ ከምዝህቦም እውን ይሕብሩ። ወዳ ንቤት፡ ባልድዊን ፒተር ኣብ 2014 ብህጹጽ ኩነታት ሕማም ሽኮርያ ኬቶኣሲዶሲስ እዩ ሞይቱ። ንሱ ብምርመራ ዘይተፈልጠ ዓይነት 1 ሕማም ሽኮር ስለ ዝነበሮ ኣካላቱ ስራሕ ደው ኣቢሉ ገና ወዲ 13 ዓመት እንከሎ እዩ ካብዛ ዓለም ተፈልዩ። ቤት፡ \"ከምዚ ዓይነት መድሃኒት ህይወት ዝቕይር እዩ\" ትብል። \"ሕጂ ሰባት ብዓይነት 1 ሕማም ሽኮር ከይተሓዙ ምግባር ኣይክኣልን። ከይጅምር ምድንጓይ ግን… ፍሉይ እዩ - ብፍላይ ንህጻናት\" \"ንሰለስተ ዓመት ነቲ ኩነታት ብጽዑቕ ከተመሓድሮ ዘይምግዳድ ማለት'ዩ፡ ተወሳኺ መጽናዕቲ ንኽካየድ ድማ እኹል ግዜ ክህብ ይኽእል'ዩ\" ክትብል ወሲኻ ትገልፅ። \"ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት'ዩ\" ክትብል ትገልጾ። ሕጂ ቤት፡ ምስ ገባሪ ሰናይ ትካል ጄዲኣርኤፍ ብሪጣንያ ብምትሕብባር፡ ንቕሓት ምልክታት ዓይነት 1 ሕማም ሽኮር ንምዕባይ ትሰርሕ ኣላ። ምልክታት ዓይነት 1 ሕማም ሽኮር፡ ሓያል ጽምኢ፡ ካብቲ ልሙድ ንላዕሊ ሽንቲ ምፍሳስ፡ ልዑል ድኻምን ብዘይፈተነ ክብደት ሰብነት ምቕናስን የጠቓልል። ኣብቲ ነቲ ፈተነ ብኸፊል ዝምወል ትካል ግብረ ሰናይ ጄዲኣርኤፍ ብሪጣንያ ትሰርሕ ራቸል ኮነር፡ \"እዚ ህይወት ዝቕይር እዩ። ንዓይ እዚ ምጅማር ሓድሽ ዘመን ሕክምና ዓይነት 1 ሕማም ሽኮር'ዩ\" ኢላ። \"እቲ ኩነታት ንምንታይ ከም ዝምዕብል ክንፈልጥን ነቲ መስርሕ ክንቅይርን ንመጀመርታ ግዜ ክንክእል ኢና፡ ስለዚ ድሕሪ ሕጂ ነቲ ምልክታት ጥራይ ኣይኮናን ንሕክሞ።\" \"እዚ ክንገብር ምስ እንኽእል፡ ካልእ ብዝበለጸን ንነዊሕ እዋንን ክንገብሮ እንኽእል መገድታት ክንረክብ ንኽእል ኢና።\" ሕማም ሽኮር፡ መጠን ሽኮር ኣብ ደም ሓደ ሰብ ኣዝዩ ልዑል ክኸውን ዝገብር ናይ ዕድመ ምሉእ ኩነታት እዩ። ክልተ ቀንዲ ዓይነታት ኣለዉ። እቲ ካልኣይ ዓይነት፡ ካብ ዓይነት 1 ኣዝዩ ዝበዝሐ እዩ። ምንጪ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና","category":"መፅናዕቲ ሕክምና\/ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ckvqdyekjp3o"} {"headline":"ብዝሒ ብሰንኪ ኮቪድ ዝሞቱ ሰባት ካብቲ ዝተገልጸ ብሰለስተ ዕጽፊ ይዛይድ - ተመራመርቲ","content":"ኣብ ምሉእ ዓለም ብሰንኪ ኮቪድ-19 ከምዝሞቱ ዝግለጽ ብዝሒ ሰባት ካብቲ ዝበሃል ብሰለሰተ ዕጽፊ ከምዝበልጽ ተመራመርቲ ሓቢሮም። ወግዓዊ ጸብጻባት ከምዘመልክትዎ ዛጊድ ኣስታት 6 ሚልዮን ሰባት ብሰንኪ እቲ ዓለማዊ ለበዳ ሞይቶም ኣለዉ። ተመራመርቲ ግን ውድብ ጥዕና ዓለም ነቲ ለብዒ ከም ዓለማዊ ለበዳ ካብ ዝእውጅ ክልተ ዓመት ኣብ ዝመልኦ ብዝዘርግሕዎ ጸብጻብ፡ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 18 ሚልዮን ከምዝበጽሐ ኣመልኪቶም። ኣብ ኣሜሪካ ዩኒቨርሲቲ ዋሺንግተን ዝርከብ ጉጅለ መጽናዕቲ፡ ን191 ሃገራትን ግዝኣታትን ኣብ መጽናዕቱ ከምዘካተተ ይገልጽ። ገሊኦም ሞት መንቀሊኦም እቲ ቫይረስ ክኸውን ከሎ ገሊኦም ድማ ምስቲ ረኽሲ ቫይረስ ብዝተሓሓዝ ከምዝኾነ ተሓቢሩ’ሎ። እቲ መጽናዕቲ “ኤክሰስ ዴዝስ” ማለት ሕልፊ\/ልዕሊ ዓቐን ሞት ዝብል ስልቲ ዝተጠቐመ ኮይኑ፡ ቅድሚ እቲ ለብዒ ኣብ ዝነበሩ ቀረባ ዓመታት ዝሞቱ ሰባት ምስቶም ኣብ እዋን ለበዳ ዝሞቱ ዘሎ ኣፈላላይ ብምንጽጻር’ዩ ውጽኢት መጽናዕቱ ወግዓዊ ዝገበረ። ነቶም ቅድሚ ለበዳ ኣብ ዓለም ዘጋጠሙ ሞት መበገሲ ብምግባር ሎሚኸ ክሳብ ክንደይ ሰብ ክመውት ይኽእል ዝብል ግምታዊ ቁጽሪ ኣቐሚጡ። ኣብቶም ናይ ለበዳ ዓመታት ዝሞቱ ብዝሒ ሰባት ድማ ካብቲ ግምት ዝተዓጻጸፈ ኮይኑ ተረኺቡ። ንዝተፈላለዩ መንግስታዊ ዌብሳይታትን ካልኦት ምስ ሞት ብዝተሓሓዝ ሓበሬታታት ዝስንዱ ዓለምለኻዊ መርበባትን ብምውካስ’ዮም ነዚ ውጽኢት መጽናዕቶም ዕላዊ ዝገበሩ። መጠን እቲ ዘጋጠመ ሕልፊ ሞት (excess deaths) ካብ ሃገር ናብ ሃገር ከምኡ’ውን ካብ ዞባ ናብ ዞባ ዝፈላለ’ኳ እንተኾነ፡ እቲ ብደረጃ ዓለም ዝተመዝገበ ግን ካብ ሞንጎ 100,000 ሰባት 120 ከምዝሞቱ የመልክት። እዚ ከኣ ካብ መእተዊ 2020 ክሳብ መዛዘሚ 2021 ኣብ ዝነበሩ ክልተ ናይ ለበዳ ዓመታት ኣስታት 18.2 ሚልዮን ሞት ብሰንኪ ኮቪድ ኣጋጢሙ’ሎ። እዚ ድማ ካብቲ ብወግዒ ዝግለጽ ኣስታት 5.9 ሚልዮን ኮሮናቫይረስ ዘኸተሎ ሞት ብሰለስተ ዕጽፊ ይዛይድ። ነቲ መጽናዕቲ ዝመርሐ ዶክተር ሃይዶንግ ዋንግ ካብ ‘ኢንስቲትዩት ፎር ሀልዝ ሜትሪክስ ኤንድ ኢቫልዌሽን’ “ነቲ ብሰንኪ ለበዳ ዘጋጠመ ትኽክለኛ መጠን ሞት ምፍላጥ ኣብ ጉዳይ ጥዕና ማሕበረሰብ ዕውት ዝኾነ ውሳነታት ንምውሳን ዝሕግዝ’ዩ” ክብል ኣረዲኡ። ወሲኹ ድማ “ስዊድንን ኔዘርላንድስን ኣብ ዝርከብአን ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ ኮቪድ ነቲ ሕልፊ ዝኾነ ሞት (ትጽቢት ካብ ዝግበር ንላዕሊ ዘጋጠመ ሞት) ምኽንያት ኮይኑ’ሎ” ኢሉ። እንተኾነ እቲ ትኽክለኛ መጠን ብሰንኪ ኮቪድ ዘጋጠመ ሞት ንምፍላጥ ተወሳኺ መጽናዕቲ ምክያድ ከምዘድልይ እቲ ዶክተር ኣዘኻኺሩ’ሎ። ኣብዚ እዋን ክታበታትን ካልኦት ሕክምናታትን ይቐርቡ ብምህላዎም ኣብ መጠን እቲ ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ዝኾነ (ሕልፊ) ሞት ምንካይ ከምዝህልው ዘመልከቱ ኣባላት እቲ መጽናዕቲ ዘካየደ ጉጅለ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ግን ሎሚ’ውን ስለዘየብቀዐ ጥንቃቐ ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም።","category":"መፅናዕቲ ሕክምና\/ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60704587"} {"headline":"ደቂ ኣንስትዮ ብደቂ ተባዕትዮ መጥባሕቲ ክግበረለን እንከሎ ናይ ምሟት ዕድለን ይውስኽ፡ ንምንታይ?","content":"ብደቂ ተባዕትዮ መጥባሕቲ ዝግበረለን ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምሟት ዕድለን ብ 32% ክብ ከምዝብል ሓደ መጽናዕቲ የመላኽት፤ ግና ንምንታይ እዩ ከምኡ ዝኸውን? እቲ መጽናዕቲ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብደቂ ተባዕትዮ መጥባሕቲ እንተኣካዪደን ንኻልእ ሕማማት ናይ ምቅላዕን ኣብ ውሽጢ 30 መዓልትታት ተመሊሰን ናብ ሆስፒታል ናይ ምእታው ተኽእሎ ሰፊሕ ምዃኑ'ውን ይነግር። ‘ጃማ ሰርጀሪ’ ኣብ ዝተባሃለ ናይ ሕክምና መጽሄት ንዝወጽአ እቲ መጽናዕቲ ዝመርሐ ዶክተር ክሪስቶፈር ዋሊስ ናይዚ ምኽንያት እንታይ ከም ዝኾነ ርግጸኛ ኣይኮነን። ነዚ ሕቶ ርጉጽ ዝኾነ ምላሽ እኳ እንተዘይረኸበ እቲ ዶክተርን መሳርሕቱን መጽናዕቶም ይቕጽል ምህላው ንቢቢሲ ሓቢሩ። ንሕና’ውን ናይዚ ሕቶታት ምላሽ እንተረኸብና ናብ ደቂ ኣንስትዮ ክኢላታት መጥባሕቲ ኣምሪሕና ኔርና። ዝረኸብናዮ ምላሽ ከምዚ ዝስዕብ እዩ። ስቓየን ምርዳእ እቲ መጽናዕቲ ካብ 2007 ክሳዕ 2017 ኣብ ዘለው ዓመታት ኣብ ኦንታርዮ ካናዳ ኣብ ልዕሊ 1.3 ሚልዮን ተሓከምቲ እዩ ተኻዪዱ። ኣብ መንጎ ሓኪምን ተሓከምትን ኣብ ዘሎ ናይ ጾታ ፍልልይ ዝተኻየደ ናይ ፈለማ መጽናዕቲ ምዃኑ እቶም ተመራመርቲ ይገልጹ። ሓንቲ ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፈት ናይ መጥባሕቲ ክኢላ፡ ስቓይ እተን ተሓከምቲ ኣብ ምርዳእ ፍልልይ ከምዘሎ ትገልጽ። እዚ ማለት ደቂ ተባዕትዮ ሓካይም ደቂ ኣንስትዮ ዝስምዐን ስቓይ ከይርድኡ ይኽእሉ እዮም ማለት እዩ። ቦስተን ኣብ ዝርከብ ተፍትስ ናይ ሕክምና ዩኒቨርስቲ ዩሮሎጂስት ዝኾነት ዶክተር ኦኒካ ዊልያምስ በዚ ትሰማማዕ። “ኣነ ከምዝመስለኒ ደቂ ተባዕትዮ ቅርታታት ደቂ ኣንስትዮ ሸለል ይብሉ እዮም። ደቂ ኣንስትዮ ተጠንቂቐን ስለዝሓስባ ድሕሪ መጥባሕቲ ዘቕርብኦ ብዛዕባ ቅርታታት ኣይግደሱን እዮም። ነቲ ሻቕሎተን ብዋዛ እዮም ዝሓልፍዎ፤ ስቓየን ሰማዒ ይስእን፤ ሕማመን ይርሳዕ” ትብል ዶክተር ኦኒካ። ኣብ ኒውዮርክ ኖርዝዌል ዩኒቨርስቲ ክኢላ መጥባሕቲ መትንታት ደም (ቫስኩላር) ዝኾነት ዶክተር ጄኔፈር ስቫን’ውን ነዚ ተረጋግጽ። ንሳ ከም እትብሎ፡ እቲ ናይ ሞት ተኽእሎአን ዝውስኽ ደቂ ተባዕትዮ ሓካይም ንስቓይን ቃንዛን ደቂ ኣንስትዮ ተሓከምቲ ኣነኣኢሶም ስለዝርእዩ እዩ። ንሓኪም ዘሎ ኣረኣእያ ዶክተር ናንሲ ባክስተር፡ ኣብ ሆስፒታል ኮሌጅ ቅዱስ ሚኪኤል ቶሮንቶ ክኢላ መጥባሕቲ መዓናጡ (ኮሎሬክታል) እያ። ንሳ “በዙሓት ሰባት ነቲ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ዝስምዐን ስቓይ ካብቲ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ብዝለዓለ ሸለል ናይ ምባል ተርእዮ ኣሎ” ትብል። ግና ካልኦት ምክንያታት’ውን ኣብ ግምት ክኣትው ከምዝግባእ ተዘኻኽር። “ተሓካሚ ምስ እትርእዪ ከም ክኢላ መጥባሕቲ እንታይ ክትገብሪ የድልየኪ? ናብ ናይ መጥባሕቲ ክፍሊ ንመን ኢኺ ሒዝኪ ክትኣትዊ? ጾታ ናይቶም ናብቲ ክፍሊ ዝኣትው ሓካይም ፍልልይ ከምጽእ ይኽእል እዩ” ትብል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ። ንሳ ንሓደ መጥቃዕቲ ብምጥቃስ ክተረድእ ከላ፡ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ልቢ መጥባሕቲ ሓካይም ካብ ደቂተባዕትዮ ሓካይም ብዝለዓለ ህይወት ብዙሓት ተሓከምቲ ከምዘድሓና ትገልጽ። እንተኾነ ግና ናብ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ክኢላታት መጥባሕቲ ዘሎ ኣረኣእያ’ውን ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ ትብል። “ኣብ ክፍሊ መጥባሕቲ፡ ደቂ ኣንስትዮ ሓካይም ዕውት ውጽኢት እንተዘየምጺአን ብዙሕ’የን ዝውቀሳ። ንመጥባሕቲ’ውን ከይምረጻ ይኽእላ እየን። “ደቂ ተባዕትዮ ሓካይም ግና እንተዘይተሳኽዓሎም’ውን እቲ ውጽኢት ምስ ሕማቕ ኣጋጣሚ እዩ ዝተሓሓዝ” ትብል። ምርድዳእ ካልእ ከም ምኽንያት ክጥቀስ ዝግብኦ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዎም “ዝለዓለ ስምዒታውነት፣ ድንጋጸን ምስ ተሓከምቲ ምቅርራብን” ምዃኑ ዶክተር ኦኒካ ትገልጽ። ኣብ ዩኒቨረስቲ ካንሳስ ክኢላ ሕክምና ኣዕጽምቲ ዝኾነት ዶክተር ኪም ቴምፕልተን ብወገና ደቂ ኣንስትዮ ሓካይም ንደቂ ኣንስትዮ ተሓከምተን ዘዘራርባሉ መገዲ ዓቢይ ለውጢ ከምዘምጽእ ተረድእ። ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየዱ መጽናዕትታት ከምዘመልክትዎ እታ ተሓካሚት ጓል ኣንስተይቲ እቲ ሓኪም ከኣ ወዲ ተባዕታይ እንተኾይኑ ኣብ መንጎ ሓኪምን ተሓካመን ዘሎ ዝርርብ ግሉጽ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ኣብ መንጎ ተሓካምን ሓኪምን ዝርአ ጸገም ናይ ርክብ ናይቲ ሓኪም ጥራይ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ኣብ ኦንታርዮ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዘርእዮ፡ ደቂ ኣንስትዮ ተሓከምቲ ድሕሪ መጥባሕቲ ብዛዕባ ዘጋጥመን ጸገማት ንወዲ ተባዕታይ ሓኪም ግሉጻት ኮይነን ከይነግራ ይኽእላ እየን። በዚ እትሰማማዕ ዶክተር ጄኒፈር “ደቂ ኣንስትዮ ተሓከምቲ ንደቂ ተባዕትዮ ሓካይም ስለዘይደፍራ ጸገማተን ብግልጺ ከይረዛባ ይኽእላ እየን” ትብል። “ናይ መጥባሕቲ ክኢላ እየ ዝመስል” ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዘለውሉ ዓውዲ መሕክምና ጥባሕቲ፡ ጾታዊ ኣድልዎ ከምዘሎ ክንገር ጸኒሑ እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ዓውዲ ሓዲገንኦ ዝወጻ ዘለዋ’ውን ምስ’ዚ ብዝተሓሓዝ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ 2015 ደቂ ኣንስትዮ ሓካይም መጥባሕቲ ኣብ ትዊተር #ILookLikeaSurgeon (ናይ መጥባሕቲ ክኢላ እየ ዝመስል) ዝብል ጎስጓስ ኣካዪደን ነይረና። ደቂ ኣንስትዮ ክኢላታት መጥባሕቲ ነቲ ጎስጓስ ዝጀመራ ዝበዝሕ ግዜ ሰባት “ናይ መጥባሕቲ ክኢላ ኣይትመስልን ኢኺ” ስለዝብልወን፡ ነዚ ኣተሓሳስባ ንምቕያር እዩ ነይሩ። ዶክተር ኦኒካ “ብዙሓት መሳርሕተይ ከይተረፉ ናይ መጥባሕቲ ክኢላ እያ ኢሎም ኣይግምቱን እዮም።” “ዝበዝሕ ግዜ ኣነ ተሓጋጋዚት ወይ ጸሓፊት፤ ዕድል እንተጌረ ከኣ ነርስ ጌሮም እዮም ዝቖጽሩኒ” ትብል። “ሓደ ሓደ ግዜ ንርእሰይ ኣላልየ፡ ብዛዕባ እቲ ሕማም ተዘራሪብና፡ ቅድሚ መጥባሕትን ብድሕሪኡን ዘሎ ከይዲ ኣማኺረ ምስ ወዳእኩ፤ ‘መን’ዩ መጥባሕቲ ዝገብረለይ?’ ኢሎም ይሓቱኒ” ኢላ። ጾታዊ ዘይምምጥጣን ዶክተር ጄኔፈር ስቫን ቁጽሪ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ክኢላታት መጥባሕቲ ሒደት ምዃኑ እቲ ቀንዲ ጸገም እዩ ትብል። “ደቂ ኣንስትዮ ሓካይም ብዘይምህላዎም ጥራይ፡ ሰባት ብደቂ ኣንስትዮ ሓካይም ናይ ምሕካም ዕድሎም ክጸብብ የብሉን። “ደቂ ኣንስትዮ ሓካይም ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዝሓሸ መጥባሕቲ ዝገብራ እንተኾይነን፡ እቲ ምኽንያት ብዘየገድስ፡ ደቂ ኣንስትዮ ነዚ ዓውዲ ክጽምበርኦ ይግባእ” ትብል። ንኣብነት ኣብ ብሪጣንያ ናብቲ ዓውዲ ክጽምበሩ ካብ ዝደላያ ደቂ ኣንስትዮ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ይበዝሑ። ነዚ ዓውዲ ተጸምቢሮም በቲ ሞያ ዝቕጽላ ከኣ ብዙሕ ጾታዊ ኣድልዎ ይበጽሐን። ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ነዚ ፈተና ሓሊፈን ነቲ ዓውዲ ከምዝጽምበራ ምግባር ግና ንምርጫ ክቐርብ ከም ዘይግባእ ዶክተር ኦኒካ ትመክር።","category":"መፅናዕቲ ሕክምና\/ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60097055"} {"headline":"ሓይሊ ሂፕኖሲስ፡ ብዘይ መድሃኒት ቃንዛ ንምፍዋስ ዘኽእል ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕክምና","content":"ሂፕኖሲስ፡ ንመህሰይቲ ዘስዕቦ ጸገም ጸቕጢ፣ ንቃንዛ፣ ንጭንቀትን ንካልኦት ጸገማትን ሓያል ሕክምናዊ መስርሕ ይኸውን ኣሎ። ዴቪድ ስፒግል ገና ናብቲ ዝሓመሙ ሰባት ዝሕክመሉ ክፍሊ ክኣቱ እንከሎ ብኣዝማ ዝተጠቕዐት ጓል 16 ዓመት መንእሰይ ትጽበዮ ነይራ። ኣዲኣ ድማ ኣብ ጎድና ትበኪ ነበረት። እታ ጓል ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ንሳልሳይ ግዜ እያ ብኣዝማ ተጠቒዓ። ኣብ 1970 ኣብ ማሳቹሰትስ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ህጻናት ቦስተን ተማሃራይ ሕክምና ዝነበረ ስፒግል፡ ክሊኒካዊ ሂፕኖሲስ’ውን ይማሃር ነይሩ። ጉጅለ ሕክምና እታ ኣዝማ ዝሓመመት መንእሰይ፡ ክልተ ግዜ ኣድሪናሊን ብምውጋእ ንመተሓላለፊ ኣየራ ንምግፋሕ ፈቲኖም'ኳ እንተነበሩ እቲ ሕማም ኣዝማ ግን ኣይሃድአላን። ስፒገል ካልእ እንታይ ክገብር ከምዝኽእል ኣይፈለጠን። \"ናይ ትንፋስ ምውስዋስ ኣካላት ክትገብሪ ትደሊዪ ዲኺ?\" ኢሉ ሓተታ። እሺ ምስበለት ድማ ስፒግል ክትዕንዝዝ ገይሩ። ዝሓመመ ሰብ ከዐንዝዝ (ሂፕኖታይዝ) ክገብር ንመጀመርታ ግዜ እዩ። እታ ጓል ምስዓንዘዘት፡ ስፒግል ብተለምዶ ብጥንቃቐ ቃላት ዝተሃንጸ ዘይፍቓዳዊ ግብረ-መልሲ ዘምጽእ ሓሳብ ኣቕሪቡ። \"ኣነ 'ነፍሲ ወከፍ እትወስድዮ ትንፋስ ቁሩብ ዝዓሞቐን ቁሩብ ዝቐለለን ክኸውን'ዩ' ኢለያ።\" ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ደቓይቕ ምሕንፋጽ እታ ጓል ደው ኢሉ። ብሰላም ክትትንፍስ ምስጀመረት ኣዲኣ’ውን ብኽያታ ኣቋሪጻ። እታ ጓል ሰልጢና ሓኪም ስርዓተ ምስትንፋስ ኮይና። ስፒገል ድማ ክሊኒካዊ ሂፕኖሲስ ጀሚሩ። ማእከል ውህደታዊ ሕክምና መስሪቱ ንዝሓለፉ 50 ዓመታት፡ ልዕሊ 7000 ሕሙማት ብኸምኡ ፈዊሱ። ሂፕኖሲስ፡ ሓደ ካብቶም ክሰርሑ ዘይግብኦም ስነ-ኣእምሮኣዊ ተርእዮታት ይመስል። እቲ ኣዝዩ መሳጢ ዝገብሮ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ዝሰርሕ ምዃኑ እዩ። ናብ ዕንዛዘ ምእታው፡ ኣተኲርካ ንሓደ ሓሳብ ምስማዕ፡ ብዙሓት ሰባት፡ ነቲ ሓሳብ ክውን ንክገብሩ ዘኽእሎም እዩ። ሓደ ዝዓንዘዘ ሰብ ቅልጽሙ ብገዛእ ርእሱ ምንቅስቓስ ከም ዝጅምር እንተተነጊርዎ፡ ቅልጽሙ ይንቀሳቐስ እዩ። ዝተጠላለፋ ኣጻብዕቶም ምፍላይ ከምዘይኽእሉ እንተተነጊርዎም፡ ኣጻብዕቶም ዳርጋ ብኮላ ዝተጣበቓ ይኾና። እቲ ሕዱር ቃንዛ ክሃድእ እዩ፡ ወይ እቲ ጭንቀት ቑሩብ ክቐልል እዩ እንተተባሂሎም ድማ፡ ሂፕኖሲስ ክቡር መሳርሒ ፍወሳ ክኾኖም ይኽእል። ቃንዛ፣ ጭንቀት፣ መህሰይቲ ዘስዕቦ ጸገም ጸቕጢ፣ ውጥረት ዝመልኦ ሕርሲ፣ ቁጥዐ መዓንጣን ካልኦት ጸገማትን ንዘጋጠሞም ሰባት፡ ሂፕኖሲስ ውጽኢታዊ ሕክምና ምዃኑ መርትዖታት ይሕብሩ። ሂፕኖሲስ፡ ብመንጽር ዋጋ፡ ውጽኢታውነትን ጎናዊ ሳዕቤናትን ምስ መደበኛ ሕክምናታት ዝመጣጠን እዩ። ንዓሰርተታት ዓመታት ዝተገብሩ መጽናዕትታት፡ ብዛዕባ ኣገባብ ሓንጎል ዘሎ ርድኢት ክውስኽ እኳ እንተገበሩ፡ ተቐባልነት ክሊኒካዊ ሂፕኖሲስ ግን ብዘደንቕ መልክዑ ደንጕዩ እዩ። እዚ ድማ እቲ ሂፕኖሲስ ኣብ መድረኽ ካብ ዝግበሩ ስሒር ተንኮል ብዙሕ ከምዘይፍለ ዝገልጽ ልሙድን ግጉይ ኣረኣእያ ዘስዓቦ እዩ። \"ሰባት ወይ ረብሓ የብሉን ወይ ሓደገኛ'ዩ ይብሉ እምበር ዝኾነ ማእኸላይ ኣተሓሳስባ የለን። ክልቲኡ ጌጋ እዩ\" ይብል ስፒግል። ሂፕኖሲስ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከቡ ብዙሓት ባህልታት ንዘመናት ዝጸንሐ ተግባር እዩ። ኣብ ኣውሮጳን ሰሜን ኤሜሪካን፡ ምዕራባውያን ዝጥቀሙሉ ስሪት ሂፕኖሲስ ኣብ መወዳእታ መበል 18 ክፍለ ዘመን ይጅምር። ኣብ 1775 ንክልሰ-ሓሳብ ስነፍልጠት ማግነታዊ ተርእዮታት እንስሳታት ህቡብ ዝገበረ ጀርመናዊ ሓኪም ፍራንዝ መስመር፡ ኣብ መላእ ኣካላት ወዲ ሰብ ዘይርአ ማግኔታዊ ፈሳሲ ከም ዝውሕዝን፡ ንጥዕናናን ባህርያትናን ከም ዝጸልዎን ይኣምን ነይሩ። ምትዕጽጻፍ እዚ ፈሳሲ ድማ  \"ሜስመሪዝም\" ተባሂሉ ክፍለጥ ጀሚሩ። ኣጠማምታ ሓደ ሕሙም ከተኲር ገይሩ ኣብኦም ከድህብ ከሎ፡ ውጽኢት ፍወሳ ከምዝኸውን ተገንዚቡ። እቲ ዶክተር ተፈታውነት እኳ እንተረኸበ፡ ስነፍልጠት ማግነታዊ ተርእዮታት እንስሳታት ግን ነዊሕ ከይጸንሐ ሓሲሱ። ንሱ ዝዳህሰሶ ተርእዮ ግን ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ሂፕኖሲስ ብዝብል ሓድሽ ስም ኣቓልቦ ረኺቡ። ስሙያት ሓካይም ብዛዕባ ባህርያቱ ተኸታተልቲ ክልሰ-ሓሳባት ኣማዕቢሎም። እቲ ዝያዳ ፍሉጥ ዝኾነ፡ መስራቲ ምዕራባዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ፍወሳ ዝኾነ ሲግሙንድ ፍሮይድ፡ ገለ ካብቲ ፍሉጥ ትንታነታቱ፡ ኣብ ጸብጻባት ውጽኢት ሂፕኖሲስ ዝተመርኮሰ ነይሩ። ሂፕኖሲስ፡ ኣብ መድረኽ እውን ዝያዳ ዝና ኣማዕቢሉ። ህቡባት ሂፕኖቲስት ኣብ ኣውሮጳ ዑደት ኣካይዶም፡ ተሳተፍቶም ከም ደርሆ ክመስሉ፡ ከም ሰሌዳ ክግተሩ ወይ ምግላጽ ድንግል ማርያም ከም ዝተዓዘቡ ክመስሉ ክገብሩ ከምዝኽእሉ ይገልጹ ነይሮም። ብዛዕባ ሂፕኖሲስ ዝነበረ ህዝባዊ ክትዕ ክሳብ 1880ታት ኣዝዩ ሓይሉ ክሳብ ገለ ሃገራት ንኣጠቓቕማኡ ዝቆጻጸር ሕግታት ዘውጽኣ ቀጺሉ። ኣብ መስከረም 1894፡ ጓል 22 ዓመት ኤላ ሳላሞን፡ ኣብ ሃንጋሪ ሂፕኖታይዝ ምስተገብረት ምሟታ ስዒቡ ብዛዕባ እቲ ሳዕቤናት ሂፕኖሲስ ዝነበረ ስክፍታ ሓይሉ። እቲ ዛንታ ኣብ ዙርያ ማሕበረሰብ ሕክምናን ማዕከናት ዜና ኣውሮጳን ሰሜን ኤሜሪካን ተቓሊሑ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዕንደራታት፡ ሓካይም ካብ ናይ መድረኽ ሂፕኖቲስት ንምርሓቕ ዝገብርዎ ጻዕሪ ኣግዲድዎ። ብዙሓት ሰብ ሞያ ሕክምና፡ ሂፕኖሲስ ብዘይሰልጠኑ ክኢላታት ብፍጹም ክትግበር ከምዘይብሉ ሞጊቶም። ድሕሪ ልዕሊ ሓደ ዘመን፡ እዚ ወጥሪ እዚ ክሳብ ሕጂ ኣይተፈትሐን። ብዙሓት ኣካዳሚያዊ ተመራመርትን ክሊኒካዊ ክኢላታትን፡ ብስልጠና ዘይተሓገዘ ሂፕኖቲዝም ሓደገኛ ምዃኑ ይገልጹ። ብዛዕባ ውጽኢታውነቱ ዝምልከት ጽሑፋት እናበዝሑ፡ ኣብ ሓንጎል ዘለዎ ኣገባብ ሓድሽ ርድኢትን እናረኸበ ምስ መጸ ግን፡ ተመራመርትን ክኢላታትን፡ ሂፕኖሲስ ዳግማይ ኣብ ገብሪ ክውዕል ኣበርቲዖም ክሰርሑ ጀሚሮም ኣለዉ። እቲ ገለ ሓጋዚ መርትዖታት ዘቕርብ ፈተነ ስትሮፕ፡ ሰባት ሓደ ቃል ስም ካልእ ሕብሪ ክኸውን ከሎ፡ ሕብሪ እቲ ቃል ንምልላይ ክሳብ ክንደይ ከም ዘጸግሞም ዝዕቅን እዩ። ንኣብነት \"ቀይሕ\" ዝብል ቃል ብሰማያዊ ቀለም እንተተጻሒፉ ሰባት እቲ ቀለም ሰማያዊ ከምዝኾነ ንምልላይ ዝያዳ ግዜ ይወስደሎም። እቶም ሂፕኖታይዝ ዝተገበሩ ተሳተፍቲ ድሕሪ ደጊም ከንብቡ ከምዘይክእሉ ምስ ተነግሮም ግን፡ እቶም ፊደላት ትርጉም ስለዘይሃብዎም ከይተደናገሩ ነቲ ሕብሪ ቀልጢፎም ኣለልዮም። እሞ፡ ነቲ ፍሉይ ስምዒትን ተመክሮታትን ናይ ሓደ ዝዓንዘዘ ሓንጎል ምላሽ ከረድእ ዝኽእል መለለዪታት ኣለዉ’ዶ? ገና ዝቕልቀል ዘሎ ዓውዲ መጽናዕቲ እዩ። ሓደ ክፋል ናይቲ ዛንታ ኣብ መርበብ ተፈላጥነት ሓንጎል ከምዝርከብ ስፒግል ይገልጽ። እዚ መርበብ እዚ ንኣየኖት መዳያት ከባቢና ኣቓልቦ ክንህብን ንኣየኖት ድማ ክንገድፍ ከም ዝግባእ ንምልላይ ይሕግዘና። ምስ መሳርሕቱ ዝገበርዎ ሓደ ፈተነ፡ ዝዓንዘዘ (ሂፕኖታይዝ ዝተገበረ) ሰብ ኣብቲ ዝንገሮ ሓሳብ ኣቓልቦ ስለዝገብር ብዛዕባ ካልእ ነገር ከምዘይስከፍን ምስቲ ካልእ ዓለም ዘለዎ ርክብ ከምዝብተኽን ይገልጽ። እዚ ብዝተወሰነ ነቲ ኣብ እዋን ሂፕኖሲስ ዝስምዓና ጽዑቕ ትዅረት ክገልጽ ዝኽእል እዩ። ኣካዳሚያውያን ተመራመርቲ ብመስርሕ ሂፕኖሲስ ከላገጹ እንከለዉ፡ ክሊኒካውያን ግን ከምቲ ንዘመናት ክገብርዎ ዝጸንሑ ውጽኢቱ ኣብ ረብሓ ክውዕል ይገብሩ ኣለዉ። ምናልባት እቲ ዝበለጸ ሕክምናዊ ረብሓ ሂፕኖሲስ፡ እቲ ብዘይ መድሃኒት ቃንዛ ንምፍዋስ ዘርኣዮ ተስፋ እዩ። ዝተፈላለዩ ዓበይቲ መጽናዕትታት፡ ካብቶም ተሳተፍቲ ኣስታት 73 ሚእታዊ ዝያዳ ፈውሲ ቃንዛ ከምዘጋጠሞም ይሕብሩ። ገለ ካብቲ ኣዝዩ ዘሐጉስ ርኽበታት ኣብ ዓውዲ ሕዱር ቃንዛ ኮይኑ፡ ንልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ዝጸንሕ ቃንዛ ተባሂሉ ዝግለጽ እዩ። ብባህሪኡ፡ ሕዱር ቃንዛ ብፍላይ ብመድሃኒት ንምሕካም ኣጸጋሚ እዩ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ካብ 13-50 ሚእታዊ ሰባት ሕዱር ቃንዛ ከጋጥሞም እንከሎ፡ ኣብ ኣሜሪካ ድማ ኣስታት ሓደ ሲሶ ሰባት የጋጥሞም። ብደረጃ ዓለም፡ ኣስታት ክልተ ቢልዮን ሰባት ተደጋጋሚ ናይ ወጥሪ ሕማም ርእሲ የጋጥሞም። ሂፕኖሲስ፡ ቃንዛን ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዘለዎ ምትእትታውን ከም ዘጉድል ተረጋጊጹ ኣሎ። ኣብ ሓደ ሜታ-ትንታነ ሸሞንተ ወይ ልዕሊኡ ክፍለ ግዜታት ሂፕኖሲስ ዝወሰዱ ሕሙማት ርኡይ ዕረፍቲ ቃንዛ ረኺቦም እዮም። ንዝዓቢ ዘሎ ደረጃታት ኩነታት ስነ-ኣእምሮኣዊ ፍወሳ ዘለዎ ውጽኢታዊነት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንምንታይ እዩ ምትእትታው እቲ ልምዲ ክሳብ ክንድዚ ድንጉይ ኮይኑ? መብዛሕትኡ ዕቃበታት ብሰንኪ ሕጽረት መርትዖ ዘይኮነስ፡ ብዛዕባ እቲ ዘይፍቓዳዊ ምላሽ ሂፕኖሲስ ዝተሓዋወሰ ስክፍታታትን ግጉይ ኣረኣእያታትን ስለዘሎ እዩ። \"እዚ ሓደ ካብቶም ዝሰፍሑ ጽውጽዋያት''ዩ\" ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ለንደን ስነ-ኣእምሮኣዊ ኒውሮሳይንቲስት ደቪን ተርሁነ፡ \"ኣብ ሂፕኖሲስ ኣነ ክቆጻጸረካን ዘይግቡእ ነገራት ክትገብር ክገብረካን ከም ዝኽእል ዝገልጽ ሓሳብ እዩ። ነዚ ዝምልከት መርትዖ ኣዝዩ ድኹም'ዩ\" ። ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ማክዋሪ ፕሮፌሰር ኮግኒቲቭ ሳይንስ ዝኾነት ኣማንዳ ባርኒየር ኣብ ዘካየደቶ መጽናዕቲ፡ ተሳተፍቲ፡ ብገዛእ ርእሶም ዘይገብርዎ ነገር ንክገብሩ ከምዘይድረኹ ዝገልጽ ርኸበት ከምዘሎ ትሕብር። እዞም ፈተነታት ግን፡ ሓደ ሰብ ብሓቂ ኣብ ትሕቲ ሂፕኖሲስ ኣንጻር ድሌቱ ገለ ነገር ክገብር ክግደድ ይኽእል ድዩ ንዝብል ሕቶ ቁርጽ ዝበለ መልሲ ኣይህቡን። ኪኖ ዓለም ኣካዳሚ ግን፡ ሂፕኖሲስ ንጎዳኢ ዕላማ ዝተጠቕመሉ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎ። ኣብ ለንደን ሓደ ለይቲ ዘጋጠመ እዩ። እቲ ናይ ሲሲቲቪ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ እቲ በዓል ድኳን እናሰርሐ ከሎ፡ ሓደ ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎ ዝመስል መንእሰይ ክኣቱ የርእይ። ናብቲ በዓል ድኳን ቀሪቡ ድማ ኣብ ቅልጽሙ ይትንክፎ። ቀጺሉ እቲ በዓል ድኳን ዝፈዘዘ ይመስል። እቲ መንእሰይ ክትንክፎን ጁባኡ ሓሰስ ክብሎን ዘስተብህለሉ ኣይመስልን። እቲ በዓል ድኳን ከም ዝተዘረፈ ዝግንዘብ ድሕሪ ምኻዱ ጥራይ እዩ። \"ከም ሳይንቲስት መጠን፡ እዞም ጉዳያት ምሉእ ኩነታት ስለዘይንፈልጥ ንምትርጓሞም ኣጸጋሚ'ዩ\" ይብል ተርሁነ። \"ትኹረት ብምዝንባል ገበን ክትፍጽም ትኽእል ዲኻ? እወ። ንሓደ ሰብ ኣፍዞኢዝካ ክትዘምቶ ትኽእል ዲኻ? ዝብል ግን ኣዝዩ ከቢድን ኣዝዩ ዝተሓላለኸን'ዩ።\" እቲ ኣብ ሰሜን ለንደን ዝተፈጸመ ምዝማት ሓደ ካብቶም ዘሕዝኑ ገለ ኣጋጣሚታት ገበን እዩ። ብዕሱባት ሂፕኖቲስትስ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ሕሙማት ዝተፈጸሙ ዓመጻት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መንጎ በዳሊን ግዳይን ንዘሎ ናይ ስልጣን ዘይምዕሩይነት ዝምዝምዝ እዩ። \"እዚኦም ፍንፉናትን ዘስካሕክሑን ምዃኖም ርዱእ'ዩ\" ይብል ተርሁነ። \"እዞም ጉዳያት ድሮ ኣብ ዘይተለምደ ሓይሊ ስነ-ምንቅስቓስ እሞ ድማ ሰብ ክኣምኖም ተኽእሎ ብዘለዎም ክኢላታት ስለዝፍጸሙ ኣጸጋሚ'ዮም።\" ካብ ሓይሊ ስነ-ምንቅስቓስ ብተወሳኺ፡ ሰባት ብዛዕባ ሂፕኖሲስ ዘለዎም ኣረኣእያታት ወይ ጽልዋታት ሓዊሱ ካልኦት ንምፍታሕ ኣጸጋሚ ዝኾኑ ረቛሒታት ከምዘለዉ ባርኒየር ትሕብር። ስለዚ \"ሂፕኖሲስ ንባዕሉ ጠንቂ ተቓላዕነት ምዃኑ ንጹር ኣይኮነን\" ትብል። እዚ ኩሉ፡ ሓደ ሂፕኖሲስ ዝደሊ ሰብ ከመይ ኢሉ እዩ ሕክምናኡ ብዝተኻእለ መጠን ውሑስ ምዃኑ ንምርግጋጽ ጥንቃቐታት ክገብር ዘኽእሎ ዝብል ሕቶ የልዕል። እዚ ሕቶ ናብ ሓደ ወርቃዊ ሕጊ የሕልፈና፡ \"ሓደ ሰብ ብዘይ ሂፕኖሲስ ክሕክመካ እንተዘይክኢሉ፡ ብሂፕኖሲስ’ውን ክሕክመካ የብሉን\" ትብል ባርኒየር። መብዛሕትኦም ክሊኒካውያንን ተመራመርቲን ምስዚ ኣገባብ እዚ ይሰማምዑ። ሮያል ኮሌጅ ሓካይም ስነ-ኣእምሮ ብሪጣንያ'ውን ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ፡ \"ሂፕኖቴራፒ ብብቑዓት ሰብ ሞያ ጥዕና ጥራይ ክግበር ኣለዎ፡ ንሳቶም ድማ ንሞያዊ ኣካል ተሓተትቲ እዮም\" ይብል። እዚ ኣገዳሲ ዝኾነሉ ሓደ ምኽንያት፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ ንሂፕኖቲዝም ዝቆጻጸር ወግዓዊ ኣካል ስለዘየለ እዩ። \"ድሕሪ ሕክምና [ሂፕኖሲስ] ገለ ሕማቕ ነገር እንተጋጢሙካ፡ ከይድካ ክትጠርዓሉ ትኽእል ሞያዊ ትካል የለን።\" እቲ ቀንዲ መልእኽቲ፡ ዝኾነ ዝሕክመካ ሰብ ግቡእ ሞያዊ ብቕዓት ከም ዘለዎ ምርግጋጽ ከምዝኾነ ክሊኒካውያንን ሞያዊ ኣካላትን የተሓሳስቡ። ሂፕኖሲስ ካብ ካልኦት ሕክምናዊ ምትእትታውን መሳርሒታትን ብዙሕ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ንኣብነት፡ መርፍእን ስሪንጋን እንተወሲድና ኣብ ዘይግቡእ ኣእዳው፡ ነፍሲ ወከፎም ዓቢ ጉድኣት ከስዕቡ ተኽእሎ ኣለዎም። ኣብ ክኢላ ኣእዳው ግን ሓያላት መሳርሒታት ሕውየት እዮም።","category":"መፅናዕቲ ሕክምና\/ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c2j0k28rr7lo"} {"headline":"ቻይና ንድሕነት ሓካይም ዘውሕስ ዝበለቶ ሓድሽ ሕጊ ኣጽዲቓ","content":"ቻይና፡ ኣብ ልዕሊ ሰብሞያ ሕክምና ዝፍጸም ጥቕዓት ንምክልኻል ዘኽእል ዝበለቶ ሓድሽ ሕጊ ወግዓዊ ገይራ። መንግስቲ ቻይና፡ ሓንቲ ኣብ ስራሕ ዝነበረት ሓኪም ኣብ ሆስፒታል በይጂንግ ብበሊሕ ነገር ተወጊኣ ምስ ዝተቐተለት'ዩ ነዚ ሓድሽ ሕጊ ወግዓዊ ዝገበረ። እቲ ሓድሽ ሕጊ፡ ዝኾነ ትካል ወይ ውልቀሰብ ኣብ ልዕሊ ድሕነትን ክብርን ሰብ ሞያ ሕክምና ስግኣት ወይ ጥቕዓት ከየብጽሕ ከምዝእግድ ማዕኸን ዜና'ታ ሃገር ጸብጺባ። እቲ ሓድሽ ሕጊ፡ ካብ 1 ሰነ 2020 ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን'ዩ። ብመሰረት'ቲ ሓድሽ ሕጊ፡ እቶም \"ንመስርሕ ኣገልግሎት ሕክምና ዝህውኹ፣ ን 'ድሕነትን ክብርን' ሰብሞያ ሕክምና ዝጎድኡ\" ከም ማእሰርትን ቕጽዓትን ዝኣመሰሉ ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ክውሰዶም'ዩ። ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ንናይ ተሓከምቲ ሓበሬታ ጥዕና ዘውጽአ፣ ዝተጠቐመን ዘቃልዐን እውን ክቐጻዕ እዩ። ዶክተር ያንግ ዌን፡ ኣብ 24 ታሕሳስ ብሓደ ሰብኣይ ክትውጋእ እንከላ ኣብ በይጂንግ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ሲቪል ኣቪየሽን ትሰርሕ ነይራ። እቲ ኣብ ልዕሊኣ ጥቕዓት ዝፈጸመ ሰብ ድማ፤ ኣብቲ ሆስፒታል ሕክምና ይግበረሉ ናይ ዝነበረ ሰብ መቕርብ'ዩ። ኣብ ሆስፒታላት ቻይና ሞት ወይ ጥቕዓት ከጋጥም ከሎ እዚ ፈላሚ ኣይኮነን። ማዕኸን ዜና እታ ሃገር - ሲጂቲኤን ከም ዝጸብጸቦ፡ ኣብ 2018 ጥራይ ብውሕድ 12 ዓመጻትን ሞት ክልተ ሰብ ሞያ ሕክምናን ኣጓኒፉ'ዩ። ኣብ ቀረባ ዝተገበረ መጽናዕቲ ድማ 85 ሚእታዊት ሓካይም ኣብ ስርሖም፤ ዝተፈለለየ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ከምዘጓነፎም የመልክት። ኣብ ሞንጎ ሓካይምን ተሓከምትን ዝፍጠሩ ዘይምርድዳእ፣ ማዕኸናት ዜና ብዛዕባ ሓኻይም ዘቕርብኦም ኣሉታዊ ጸብጻባት፣ ሕሉፍ ዝኾነ ትጽቢት፣ ልዑል ክፍሊት ሕክምናን ካልኦትን ከም መንቀሊ ኣብ ልዕሊ ሰብ ሞያ ሕክምና ዝፍጸሙ ጥቕዓታት ይግለጹ። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ላንዡ ዝርከብ ሆስፒታል እትሰርሕ ዶክተር ብተሓካሚ ሕማም ካንሰር ተወጊኣ። ነሓሰ 2018 - ኣብ ሆስፒታል ቲያንጂን ዝሰርሕ ዶክተር ብሰለስተ ሰባት ተወጊኡ ተቐቲሉ። ቅድሚ ቁሩብ ኣዋርሕ ድማ ኣብ ግዝኣት ኣንሁይ፡ ሓደ ዶክተር ምስ በዓልቤት ሓንቲ ተሓካሚት ብዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ተወጊኡ ሞይቱ። ገለ ሆስፒታላት ቻይና ሰብ ሞያ ሕክምና ንነብሶም ዝከላኸሉሎም ሜላታት ስልጠና ክህባ ጀሚረን ኣለዋ።","category":"መፅናዕቲ ሕክምና\/ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50943849"} {"headline":"ጥዕና፡ ጭንቀት ምስያብ ጸጉሪ ርእሲ ከኸትል ይኽእል'ዶ?","content":"ተመራመርቲ፡ ጭንቀት ስለምንታይ ንጸጉሪ ናብ ጻዕዳ ከምዝቕይሮን ከጋጥም ከሎ ድማ ሕብሪ ከይለኸኻ ደው ክብል ዝኽእለሉ መገዲን ክንፈልጦ ንኽእል ኢና ኢሎም። ሕሱም ጭንቀት፡ ንሕብሪ ቖርበትን ጽጉሪ ርእስን ከምዝጎድእ ኣብ ኣንጭዋ ብዝተኻየደ ምርመራ ተረጋጊጹ'ሎ። በቲ ዝተኻየደ ፈተነ፡ ጸሊም ሕብሪ ጸጉሪ ዝነበራ ኣንጭዋ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ናብ ጻዕዳ ሕብሪ ተቐይራ። ተመራመርቲ ኣሜሪካን ብራዚልን ከምዝበልዎ፡ እዚ ውጽኢት፡ ነቲ ብሰንኪ ዕድመ ዝመጽእ ምጥፋእ ሕብሪ ጸጉሪ ዝከላኸል መድሓኒት ንምርካብ ተስፋ ዝህብ'ዩ። ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ኣብ መፋርቕ 30ታት ዕድሚኦም ሕብሪ ቆርበቶም ዝጽዕድወሉ ኩነታት ይፍጠር። ካብቲ ብምኽንያት ዕድመን ዘርእን ክኽሰት ዝኽእል ምጽዕዳው ሕብሪ ጸጉሪ ብተወሳኺ፡ ጭንቀት'ውን እጃም ኣለዎ። እንተኾነ፡ ጭንቀት ንሕብሪ ጸጉሪ ርእሲ ብኸመይ ክቕይር ከምዝኽእል ተመራመርቲ ዝሃብዎ መብርሂ የለን። ነቲ ጉዳይ ግን ምስቲ ምንጪ ሕብሪ ጸጉርን ቆርበትን ዝኾነ ግድግዳ ዋህዮ ሜላኖሰይት የተሓሕዝዎ። በቲ ኣብ ኣንጭዋ ዘካየድዎ ፈተነ'ውን ነዚ ከረጋግጹ ከምዝኸኣሉ ይዛረቡ። \"ጭንቀት ንሕብሪ ቆርበትን ጽጉርን ክቕይር ከምዝኽእል ብርግጸኝነት ክንፈልጥ ክኢልና'ለና\" ክብል ተመራማሪ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ፕሮፌሰር ያ-ሲ ሱ ተዛሪቡ። ብኻልእ ገጽ ኣብ ዝተኻየደ ፈተነ፡ ልዑል ጸቕጢ (ድፍኢት) ደም ዝቆጻጸር መድሓኒት [ኣንቲ-ሃይፐርተንሲቭ] ነታ ኣንጭዋ ብምሃብ ነቲ ዘጋጥም ለውጢ ሕብሪ ክቆጻጸርዎ ክኢሎም'ዮም። ነታ ኣብ ቃንዛ ዝነበረት ኣንጭዋ ምስ ካልእቲ ኣንጭዋ ብምንጽጻር ከኣ፡ ብሰንኪ ጭንቀት ኣብ ግድግዳ ዋህዮ ጉድኣት ዘኸትል ፕሮቲን ከለልዩ ክኢሎም። \"ኣብ ኣንጭዋ ዝረኸብናዮ ውጽኢት፡ ነቲ ኣብ ሰባት ዝፍጠር ጸገም መፍትሒ ክንረክብ ንእንገብሮ ነዊሕ ጉዕዞ መበገሲ ዝኾነና እዩ\" ኢሉ።","category":"መፅናዕቲ ሕክምና\/ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51253896"} {"headline":"ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ ዘለዎም ሰባት፡ ኣብ ሳምቡኦም ስብሒ ተረኺቡ","content":"ኣብ ሳምቡእ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ (ክስዐ) ዘለዎም ሰባት፡ ንፈለማ እዋን ስብሒ ተረኺቡ። ካብ ሳምቡእ 52 ሰባት ቅምሶ (ሳምፕል) ብምውሳድ መጽናዕቲ ዝገበሩ ኣውስትራላውያን ተመራመርቲ፤ ኣብ ሳምቡእ፡ መጠን ስብሒ ምስ ርጉዲ ሰብነት እናወሰኸ ከም ዝኸይድ ኣረጋጊጾም። እዚ ርኽበት፡ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ (ክስዐ) ዘለዎም ሰባት ንምንታይ እዮም ዝያዳ ንሕማም ኣዝማ ዝጥቅዑ ንዝብል ከብርህ ከም ዝኽእል ድማ እቶም ተመራረመርቲ ገሊጾም። እቲ ኣብ ሳምቡእ ዝተረኸበ ስብሒ፡ ብምንካይ ክብደት ክጠፍእ ይኽእል'ዶ ዝብል ክጽናዕ ከም ዘለዎ ድማ፡ ሰብሞያ ርእይቶ ሂቦም። እቲ መጽናዕቲ፡ ንምርምር ካብ ዝተለገሱ ሳምቡእ ዝሞቱ ሰባት ዝተወስዱ ቅምሶታት እዩ ኣጽኒዑ። ካብኣቶም፡ እቶም 21 ዝፍለጥ ሕማም ኣዝማ ኣይነበሮምን። እቶም 21 ድማ ኣዝማ ዝነበሮም ኮይኖም፡ ግን ብኻልእ ምኽንያታት ዝሞቱ እዮም። እቶም 16 ሰባት ግን፡ ብምኽንያት ኣዝማ እዮም ሞይቶም። እቶም ተመራመርቲ፡ ብርክት ዝበሉ መተሓላለፊ ኣየር ቱቦታት ብምውሳድ ብማይክሮስኮፕ ዘጽንዑ ኮይኖም፡ ኣብቶም ቱቦታት ስብሒ ረኺቦም እዮም። ኣብቶም ዝያዳ ረጎድቲ ዝኾኑ ሰባት ድማ፡ ዝያዳ ስብሒ ተረኺቡ። ምህላው ናይቲ ስብሒ፡ ንንቡር መሓውር ናይቶም ቱቦታት መሕለፊ ኣየር ብምጽላው፡ ኣብ ሳምቡእ ነድሪ ከም ዝፈጥር ድማ እቶም ተመራመርቲ ገሊጾም። ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ ዘለዎም ሰባት፡ ዝያዳ ንሕማም ኣዝማ ዘቃልዖም ድማ፡ እዚ መንቀሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ይእምቱ።","category":"መፅናዕቲ ሕክምና\/ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50114752"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅምር ናይ ምዝካር ክእለትኩምዶ ጎዲሉ? በሉ እቲ ምኽንያት እዚ’ዩ","content":"ምስ ምምጻእ ኮሮናቫይረስ፡ ዝበዛሕና ኣገባብ ኣነባብራናን ኣሰራራሓናን ተቐይሩ’ዩ፡ ማሕበራዊ ርክባት ተሪፉ ዕጽዋ’ውን ተወሲኽዎ። በሉ እዚ ንናይ ምዝካር ክእለትና የዳኽሞ’ዩ ተባሂሉ’ሎ። ድሕሪ ኣዋጃት ዕጽዋ፡ ናብ ሓደ ሰብ ‘ኢመይል’ ክትጽሕፍ ኢለካ እንተረሲዕካዩ፡ ክትብሎ ዝደለኻ ቃለ ምድማጽ እንተኣብዩካ፡ ጸባ ክትገዝእ ኢልካ ናብ ዱኳን ኬድካ ካብ ገዛ እንታይ ክትገዝእ ከምዝወጻእካ ምስ እትርስዖ፡ ኣይትጨነቕ ኣብ በይንኻ ዘጋጥም ዘሎ ክስተት ኣይኮነን። ድሕሪ ምኽሳት ኮሮናቫይረስን ዝሰዓበ ዕጽዋን ብዙሓት ሰባት ከምዚ ዓይነት ጸገማት ኣማዕቢሎም እዮም። ‘ናይ ሰባት ናይ ምዝካር ክእለት ቅድምን ድሕርን ኮቩድ 19’ ኣብ ዝብል ዛዕባ ኣዝዩ ደቂቕን ዓሙቕን ዝኾነ መጽናዕቲ ንምክያድ ገና ግዜ እኳ ዘድሊ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ብዝተኣከበ መርትዖታት፡ ካብቶም ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ተነጺሎም ክነብሩ ዝተገደዱ ሰባት ልዕሊ ፍርቆም ናይ ምዝካር ጸገም ኣማዕቢሎም ምህላዎም ክረጋገጽ ተኻኢሉ ኣሎ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ካሊፎርንያ ኢርቪን ፡ ዕጽዋታት ኣብ ምስካር ዘስዓቦ ጸገማትን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣዝዩ ዓሚቕ መጽናዕቲ ተጀሚሩ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ተኣኪቡ ብዘሎ ጸብጻባት እቶም ብምዝካር ኣዝዩም ፍሉያት፡ ቅድሚ ዕስራ ዓመታት ዝገበርዎ ንጥፈታት ክዝክሩ ዝኽእሉ ከይተረፉ ኣብዚ ሕጂ ነገራት ክርስዑ ጀሚሮም ምህላዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ሰብ ዝተፈላላየ ናይ ምዝካር ክእለት እዩ ዘለዎ፡ ክትገዝኦ ዝሓሰብካ ምርሳዕ ካብ ስም ናይ ሓደ ሰብ ምርሳዕን ዝሓለፈ ረቡዕ ዝገበርካዮ ንጥፈታት ምርሳዕን ይፈላለ’ዩ። ተመራመርቲ ንሓደ ነገር ንኽትዝክሮ ምስኡ ዝተሓሓዙ ሓንጎልና ዝኽዝኖም ነገራት ኣለዉ፡ ሕጂ ግን ኣብ ገዛ ተዓጺና ንውዕል ስለዘና ሓንጎልና ነቲ ንደልዩ ፈልዩ ንኸውጽኣልና ይሽገር ምህላዉ እዩም ዝሕብሩ። እቶም ተመራመርቲ ከምዝብልዎ፡ እቲ ቀንዲ ሮቋሒ ኢሎም ዝጠቅስዎ ተነጽሎ እዩ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ማሕበራዊ ርክባት ስለዝዛሕተለ እዚ ንናይ ምዝካር ክእለትና ብኣሉታ ከምዝጸልዎ ብምሕባር፡ ብፍላይ ኣብቶም ኣቐዲሞም ቅድሚ ኮሮናቫይረስ ሕማም ረስዒ ኣማዕቢሎም ዝጸንሑ እዚ እዋን ኣዝዩ ሃሳዩ ምኳኑ የረድኡ። ብርግጽ እዩ ኮሮናቫይረስ ንኹሉ ኣይኮነን ኣብ ዕጽዋ ኣእትይዎ፡ ገለ ሰባት ሞይኦም ካብ ገዛ ወጺኦም ክሰርሑ ስለዘገድድ ካብ ገዛ ክወጽኡ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። እቲ መጽናዕቲ’ውን ነዚኦም ኣብ ግምት ኣእትዩ ስለዝተኻየደ፡ እቲ ናይ ምዝካር ጸገማት ኣብቶም ካብ ገዛ ወጺኦም ክሰርሑ ዕድል ዝረኸቡ ሰባት ዝሓሸ ኮይኑ እዩ ተረኺቡ። ሰባት ናብ ስራሕ ከይዶም ምስ መሳርሕቶም ወኻዕካዕ ዝብልሉ ዕድል ውሑዱ’ዩ፡ ካብ ስራሕ ተፈዲስካ ኣብ ዝመቸኣካ መዘናግዒ ቦታ ኬድካ ‘ሆ’ ምባል የለን፡ ንመሓዙትካ ጸዊዕካ እዛ ክዳን ጽብቕቲዶ ኣራእያኒ’ባ ክገዝኣ ደልየ እትብልሉ ዕድል የለን። እዚ ደቐቕቲ ዝመስል ንጥፈታት ሓንጎልና ነገራት ንኽንዝክር ዝድርኽ ተዘክሮታት እዩ ዝኽዝን። ምስ ብዙሓት ሰባት ሰለዘይንራኸብ ንለዋወጦ ሓሳባትን ንነጋገሮ ዛንታታትን ውሑድ እዩ፡ ዓበይቲ ዓመታውያን በዓላት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣይተኻየዱን፡ መርዓታት ተናዊሖም እዮም፡ ሙዚቃዊ ምርኢትን ንጥፈታት ስፖርትን ብዘይ ተዓዘብቲ እዮም ዝካየዱ ዘለዉ፡ እዚታት ዘይምሃዉ ኸኣ እቲ ምስ ሰብ ነዕልሎ ዛዕባታት ይውሕድ እዩ። 'ብማሕበራዊ መራኸቦታት እንደሞ ንራኸብ ኣለናን' ትብሉ ትኾኑ፡ እንተኾነ እዚ ምስቲ ብኣካል ተራኺብካ ትዝትዩ ኣይወዳደርን፤ ኣዝዩ ዝተፈለየ እዩ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ሎንዶን ክኢላ ስነኣእምሮ ደይሊ ፋንኮርት ምስ ጉጅለኣ ብምኳን ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ዝርከቡ ሰባት ምስ ክስተት ኮሮናቫይረስ ሰባት ከመይ ኣለዉ መጽናዕቲ ኣብ ምግባር ትርከብ። ዕጽዋ ምስ ተኣወጀ ሻቕሎትን ጭንቐትን ሰባት ከምዝወሰኸ ብምሕባር ቀስ እናባለ ክጎድል ተራእዩ እዩ እንተኾነ ናይቶም ልዕሊ ፍርቂ ካብቲ ቅድሚ ኮሮናቫይረስ ምጅማሩ ዝነበሮ ክብ ኢሉ ከምዘሎ እየ እትሕበር፡ ብፍላይ ኣብ መንእሰያት፡ በይኖም ዝነብሩ፡ ምስ ህጻናት ዝነብሩን ኣብ ገጠራት እናነበሩ ትሑት ኣታዊ ዘለዎምን እቲ ሻቕሎትን ጭንቐትን ክብ ከም ዝበለ ትሕብር። ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ስታቲስቲክስ ዓባይ ብርጣንያ ዝገበሮ መጽናዕቲ’ውን ድሕሪ ኮሮናቫይረስ መጠን ቅዛነት ብዕጽፊ ከምዝወሰኸ እዩ ዝሕብር። ቅዛነትን ጭንቐትን ብቐጥታ ኣብ ናይ መዝካር ክእለት ኣሉታዊ ጽልዋ ስለዘለዎም እቲ ቀንዲ ምኽንያት ንሱ ምዃኑ ይሕበሩ። ሓደ ነገር ክንዝክረ ምስ እንደሊ ኣብ ውሽጢ ኣእምሮን ንሕና ከይተረደኣና ነቲ ነገር ንኽንዝክር ዝሕግዙ ኣብ ውሽጢ ሓንጎልና ሓንጎልና ይኽዘኑ እዮም። እዚ ነቲ ክንዝክሮ ዝደለና ነገር ንኽንዝክር ከም ኮድ ኮይኑ ብልጭ ይብል እሞ ናብቲ ክንዘክሮ ዝደለና ነገር ይወስደና። ኣብዚ ሕጂ ኣዋን ሰብ ኣብ ገዛ ኮይኑ ይስርሕ ስለዘሎ ምስ ጆን እናኣዕለለ ኣብታ ሰድያ፡ መስ ጁልያ እናኣዕለለ ኣብታ ሰድያ፡ ምስ ኣዲኡ ከዕልል ኣብታ ሰድያ፡ ምስ ሓፍቱ ከዕልል ኣብታ ሰድያ ኩሉ ብማሕበራዊ ሚድያ እዩ። ስለዚ ነቲ ምስ ክሎም ዘዕለሎ ክፈላልየሉ ዝኽእል ምስቲ ዕላል ዘተሓሕዝ ዝተፈለየ ነገር ኣብ ሓንጎሉ ንኸኽዝን ዝሕግዝ ሃዋሁ የብሉን። ምኽንያቱ እቲ ዕላል እናኣዕለልና ኣብ ከባቢና ንርእዮ ነገር ሓንጎልና ኣብ ተዘክሮና ንኽኽዝኖ ምስኦም የተኣሳስሮ’ዩ። ፕሮፌሰር ካትሪን ላቭደይ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዌስትሚስተር ክኢላ ስነ ተገንዝቦን ኔሮሳይንስን እያ “ኣብ ፕያኖ እቶም ጸሊም ጸሊም ዝጥወቁ ኣበይ ንሃርም ኣለና ንኽንዝክር ዝሕጉዙ እዮም እሶም ዘይብሉ ግን ፕያኖ ምጽዋት ኣዝዩ መጸገመና፡ ንጥፈታትካ ሓደ ካብ ሓደ ዝፈላሊ ኣብ ዘይብሉ ንዝሓለፈ ነገራት ክትዝክር ምፍታን ከኣ ልክዕ ከምኡ እዩ” ትብል። ሰብ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኮይኑ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ግዜ፡ ዝእከበሉ ቦታ ፍሉጥ፡ ሻሂ ዝሰትየሉ ዝተፈለየ፡ ኮፍ ኢሉ ዝሰርሓሉ ዝተፈለየ እዚ ድማ ናብ ጣውላኻ ከይድካ እንታይ ትገብር፡ ኣብ ኣኬባ ክትከውን እንከላኻ ዝተዛረብካዮን ካልኦት ዝተዛረብዎን ምስቲ ሽዕኡ ትርእዮ ንጥፈታት ተሳንዩ ሓንጎልና መዘከሪ ዝኾኖ ጨንፈር ክረኽበሉ ኣይጽገምን እዩ። ምስ ሓላፊኣኻ ኣብ ኣፍደገ እቲ መአከቢ ኣዳራሽ ኮይንካ ዘዕለልካዩ እቲ ደው ኣባሃህላኹም ነቲ ተበሃሃልክሞ ንኽትዝክሮ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። ኣብዚ ሕጂ ግዜ ግን ዝበዝሐ ኣኼባታት ‘ብዙም’ ዝብሃል መተግበሪ ይካየዱ ስለዘለዉ ሓንጎልና ሓደ ካብ ክልተ ክፈላልየልና ይጽገም ኣሎ፡ ምኽንያቱ ኩሉ እንገብሮ ኣኬባታት ኣብ ሓንቲ ቦታ ኮይናን ኢና ነካይዶ፡ ኣብ ውሽጡ ገዛና። ፕሮፌሰር ካትሪን ላቭደይ ኣነባብራና ኣብ ሓደ ዕጹው ነገር ኮይኑ ተደሪቱ ስለዘሎ ንናይ ምስካር ክእለትና ኣዝዩ ሃስይዎ ምህላዉ እያ ትሕብር። ካብ ገዛ ወጺእና ናብ ስራሕ ኣብ እንኸደሉ ካብቲ ንቤተ እጽሕፈት ኢና ኢልና ክዳን ምቕያር ኣትሒዝና ክሳብ ኣብ ስራሕ ውዒልና ናብ ገዛ ንምለሶ ኣብ ሓንጎና ብዙሕ ነገር እናኸዘንና ኢና ንኸይድ። ሎሚ ሎሚ እዚ የለን። እዚ ኩሉ ተደማሚሩ ንናይ ምዝካር ክእለትና የዳኽሞ ከምዘሎ ከኣ እዞም ተመራመርቲ ይሰማምዑ። ፍታሕ ዘይብሉ ግን ከይመስለኩም እቲ ጽቡቕ ነገሩ ድሮ ንኸምዚ ዓይነታት ጸገም ተቃሊዕና እንተሃሊና እቲ ፈውሱ ኣብ ኢድና ኢዩ ዘሎ። ቅድሚ ሕጂ ከይድክሞ ዘይትልጡ ጎደናታት ምኻድ ንናይ ምዝካር ክእለትኩም ከሐድሶ እዩ። ብዙም ኣኬባ ኣብ እትገብርሉ ንምንታይ ኣብ ሓንቲ ጣውላ ኮይንኩም ነቲ ኣኬባ ተካይድዎ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ገዛ ውጽእ ኢልኩም ብእግርኹም እናተንቀሳቀስኩም ነቲ ኣኬባ ኣካይድዎ ወይ ነቲ ኣኬባ ተኸታተልዎ። ቴሌፎን ኣብ እትደዋወልሉ’ውን ብተመሳሳሊ ተንቀሳቐሱ። ኣብ ሞንጎ ቀዳመ ሰንበትን ናይ ስራሕ መዓልታትን ዘሎ ፍልልይ ኣኽብረዎ፡ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ እንተኾይኑ ከተዕርፉ ፈትኑ። ፕሮፌሰር ካትሪን ላቭደይ ካብ ገዛ ክንወጽእ ዘይንኽእል እንተኾይንና ኣብቲ ናይ ዕረፍቲ ግዜና ዝተፈለየ ንጥፈታት ምክያድ ንነብስና ነላምዳ እያ ትብል። እዚ ኩሉ ተደማሚሩ ንናይ ምዝካር ክእለትና ናብ ንቡር ከምዝመልሶን ክብ ከምዘብሎን ድማ እዞም ተመራመርቲ ይሰማምዑ። ካብዚ ብተወሳኺ ንሎሚ ክትገብርዎ ዝሓሰብኩሞ ንጥፈታት ብጽሑፍ ምስፋሩ እውን ሓጋዚ እዩ።","category":"መፅናዕቲ ሕክምና\/ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54983910"} {"headline":"ሓጎስኩም ትስእንሉ ዳሕራይ ድማ ብዝሓሸ ትሕጎሰሉ ክሊ ዕድመ ኣየናይ ምዃኑ ትፈልጡ’ዶ?","content":"ቅልውላው ማእኸላይ ዕድመ ዝበሃል ፅውፅዋይ ኣይኮነን፤ በዓል ሞያ ቁጠባ ደቪድ ብላንችፍላወር፡ ውፅኢት እቲ ኣብ 132 ሃገራት ዓለም ዘካየዶ ምርምር ደኣ'ምበር። ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ብማእኸል ሃገራዊ መፅናዕቲ ቁጠባ፣ 'ቲንክ ታንክ' ኣሜሪካን ብላንችፍላወርን ዝተሓተመ መፅናዕቲ፡ 'ናይ ሓጎስ ጥውዮ'( U-shaped) ኣብ ብዙሓት ሃገራት ከምዘሎ ይሕብር። ምናልባት እዚ፡ ልዕሊ እቲ ከባብናን ማሕበረሰብናን ዘናእሱና ክኸውን ይኽእል እዩ። \"ደቂ ሰባት ዝያዳ ብዘርኢ ዝተኣሳስሩሉ ሱር ኣሎ\" ይብል ብላንችፍላወር፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል። ቅልውላው ማእከላይ ዕድመ ኣባላት እዚ ጉጅለ መፅናዕቲ ዝኾኑ ምሁራት ዩኒቨርሲቲ ኢዲንብሩ፡ እዚ ኣብ ማእከላይ ክሊ ዕድመ ዘጋጥም ቅልውላው፡ መንቀሊኡ ብማሕበረሰብ ዝግበር ፅልዋ ጥራሕ እንተይኮነስ ምስ ተፈጥሮ ዝተኣሳሰር እዩ ይብሉ። ምሁር ኮሌጅ ዳርትማውዝ ፕሮፌሰር ብላንችፍላወር ብመሰረት ዘካየዶ መፅናዕቲ፡ 47.2 ዝዕድመኦም ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ዝርከቡ ሰባት፡ ዘይሕጉሳት እዮም። ኣብ ምምዕባል ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዘለዉ 48.2 ዝዕድሚኦም ሰባት እውን ሕጉሳት ኣይኮኑን። ዋላ እኳ እዚ ጭብጢ ብማእከላይ ገምጋም እንተኾነ፡ ነገራት ክመሓየሹ ጀሚሮም ኣለዉ። ግና ንምንታይ እዚ ክኸውን ክኢሉ? \"ሰባት ዕድሚኦም 47 እንክበፅሕ ዝያዳ ኣብ ስምዒት ዘይተሞርከሱ ግብራውያን ስለዝኾኑ እዮም። ናይ ሃገር ፕረዝደንት ክኾኑ ከምዘይኽእሉ ድሮ ዝተገንዘብሉ ዕድመ'ዩ\" ይብል በዓል ሞያ ቁጠባ ብላንችፍላወር፡ ሰባት ንብሕትና ኣይኮናን ከምዝብሉ ብምሕባር። \"ኣህባይ'ውን 'U' ዝቕርፁ ዓይነት ሓጎስ እዩ ዘለዎም\" ዝብል ብላንችፍላወር፡ ከም መረዳእታ ኣብ 2012 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ ልዕሊ 508 ዓበይቲ ኣህባይ ዝተኻየደ መፅናዕቲ ይጠቅስ። ብመሰረት እቲ መፅናዕቲ፡ እዞም እንስሳታት ኣብ መወዳእታ 20ታትን ኣብ ሞንጎ 30ታትን ሓጎሶም እናነከየ ይኸይድ። እዚ ማለት ማእከላይ ዕድመ ህበይ ምስ ማእከላይ ዕድመ ወድሰብ ማዕረ ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ። ሽሕ'ኳ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ናይ ባህልን ቁጠባን ኣፈላላይ እንተሃለወ፡ እዚ 'U-shaped' ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ሓጎስ ንድፊ ግና፡ ኣብ ኩሉ ክፋላት ዓለም ዝተደጋገመ እዩ። ኣብ ግዘ ብፅሕና ፅቡቕ ስምዒት ይስመዓና፤ ክሳብ መወዳእታ 40ታት ድማ ሓጎስና ንስእን፤ ዕድመና እናደፍአ እንትኸይድ ድማ መሊስና ጣዕሚ ይስመዓና። ብመሰረቱ እቲ ዝያዳ ዝኸፍኣናን ሓጎስና ንስእነሉን ግዘ ኣብ ማእከላይ ክሊ ዕድመ እንትኸውን፡ ድሕሪ 50ታት ድማ መሊስና ሓጎስ ይስመዓናን ኣመስገንቲ ንኸውንን ይብል፡ እዚ በዓልሞያ። እዚ፡ ኣብ 95 ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራትን 37 ምዕቡላት ሃገራትን ዝተርኣየ ኣድማስ ናይዚ ዑደት፡ ንብዙሓት ሰባት ዘደናግር ክኸውን ይኽእል እዩ። \"ሓቂ እዩ ማእከላይ እቶት ኣብ ዘለወን ሃገራት፡ እዚ ጉዳይ ዝኸፍአ ኮይኑ፡ ሰባት ነዊሕ ዕድመ ክነብሩ ኣብ ዝደልይሉ ድማ፡ ኣይኸውንን\" ክብል ፅሒፉ እዩ ባንችፍላወር። ብመንፅር ስነ-ልቦና ነዚ ክስትት እዚ ከብርሁ ዝኽእሉ ብዙሓት ክልሰ-ሓሳባት ኣለዉ። ካብ ሞንጎ እዚኦም እቲ ሓደ ድማ፡ ሰባት ብዕድመ እናደፍኡ እንትኸዱ እሞ ዘይክዉንን ባህጎም እንከይተገሃደ እንክተርፍ፡ ጥንካረኦምን ድኽመቶምን ብምፍላይ ዝቕበሉ ምዃኖም እዩ። እቲ ካልእ ነጥቢ ድማ፡ ትስፉዋት ሰባት ነዊሕ ዕድመ ክነብሩ ከምዝብህጉ፡ ዝተኻየዱ ብርክት ዝበሉ መፅናዕትታት ይሕብሩ። ባንችፍላወር \"እቶም ሕጉሳት ሰባት ምስቶም ዘይሕጉሳት ሰባት እንክነፃፀሩ፡ ብሜላ፡ ነዊሕ ዕድመ ክነብሩ ዝኽእሉ እዮም\" ክብል 'ዘይምሕጓስን ዕድመን' ኣብ ዝብል መፅናዕቱ ጽሒፉ ኣሎ። እዚ መፅናዕቲ፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ንምንታይ ኩሉ ግዘ ሕጉሳት ከምዝኾኑ ዘብርህ እዩ። ፀገም ቁጠባ ኣብ ክሊ ማእከላይ ዕድመ ንዝህሉ፡ ስእነት ሓጎስ ጠንቂ ክኸውን ከምዝኽእል ዝገልፅ ብላንችፍላወር፡ እዞም ሰባት ብሰንኪ ድሩት ቁጠባ ንብዙሕ ነገር ተቓላዕቲ ብምዃኖም፡ ቁጡዓት ከምዝኾኑ ይገልፅ፡ ነቲ ኣብ ዓመተ 2008\/ 2009 ዝነበረ ቁጠባዊ ቅልውላው ኸኣ ከም ኣብነት ይጸርሖ። እዚ ድማ ካልእ ናይ ህይወት ፈተናታት ተወሲኽዎ፡ ከቢድ ንክኸውን ይገብሮ። ኣብ ማእኸል መፅናዕቲ ብሩኪንግስ ተመራማሪ ዝኾነ ጆናታን ራውች እውን፡ ኣብ 2018 ኣብ ዘሕተሞ መፅሓፍ 'The Curve of Happiness፡ Why Life Improves After 50': ነዚ ጉዳይ ተንቲንዎ እዩ። ራውች፡ ንበዓልሞያ ቁጠባ ብላንችፍላወር ሓዊሱ ንብዙሓት ሰብሞያ ቃለ-መሕተት ድሕሪ ምግባር፡ ናይ ሓንጎልና ልምዲ፡ ክንዓቢ እንከለና ክንቅየር ከምዝገብር እዩ ኣረጋጊፁ። ኣብዚ ግዘ ፍሉይ ህርፋንና ብምንካይ፡ ዝያዳ ኣብ ውልቃዊ ምትእስሳራት ነድህብ ማለት እዩ። \"ጥዕና ዘለዎ ለውጢ እዩ፤ ኣብ ማእኸል ግና ደስዘይብል ለውጢ ኣሎ\" ክብል ፅሒፉ እዩ ራውች። ንሱ ከምዝብሎ እቲ ኣብ 40ታት ዘጋጥም ቅልውላው፡ \"ናይ ሃንቀውታ ክፍተት እዩ\"፤ እዚ ድማ ብዙሓት እቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበሮም ዕላማታት ኣዝዮም ህንጡያት ስለዝኾኑ እዩ። መናእሰይ ድማ ሽቶታቶም ብምዕዋት ሓጎስ ክረኽቡ ስለዝሓስቡ፡ ትጽቢቶም \"ናብ ጉጉይ መስመር\" የምርሖም። ብኻልእ ወገን፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት፡ ዝነበሮም ሚዛን ሃንቀውታ ብምድርባይ፡ ስምዒታቶም ብኸመይ ክኣልዩ ከምዘለዎም ብዙሕ ክእለት የማዕብሉ። ይኹን'ምበር ይብል ራውች፡ ኩሉ ሰብ ተመሳሳሊ ዑደት ክኽተል ከምዘይኽእል ብምሕባር፡ ሕማም፣ ሽቅለት ኣልቦነትን ፍትሕን ድማ፡ ዘሕድርዎ ዕዙዝ ፅልዋ ከምዘሎ ከም ምኽንያት የቐምጥ። እዚ ኩነታት ምንፃግ ከቢድ ከምዝኾነ ዝገልፅ ራውች፡ ኣብ ክንዲ ነዚ ኩነታት ንምቅላስ ምፍታን፡ ነዚ ኩነታት ዝፈጠሩ ዕድላትን ኣንፃራዊ ስነ-ሞጎትን ብምርዳእ፡ ኣሜን ኢልካ ምቕባል ንድሕሪት ዘይበሃል ኣማራፂ ከምዝኾነ እዩ ዝገልፅ። \"ዋላ እኳ ንድፊ ሓጎስ 'U-shaped' ፈታኒ እንተኾነ ካብ ስምዒታውነት ብምስግጋር፡ ካብ ዘየድሊ ንሕንሕ ክንወጽእን ብምግባር፡ ብመገዲ ሓጎስን ጥበብን ክንጓዓዝ የኽእለና\" ብምባል ሓሳቡ ይዛዝም።","category":"መፅናዕቲ ሕክምና\/ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51411158"} {"headline":"ቻይና፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ ዕሸል ዝነኣሰ ግዳይ እቲ ሕማም ኮይኑ","content":"ቻይናዊ ዕሸል፡ ድሕሪ ምውላዱ ድሕሪ 30 ደቓይቕ ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተለኸፈ ተረጋጊጹ፤ በዚ ድማ ዝነኣሰ ግዳይ እቲ ሕማም ኮይኑ ምህላው መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ሺንሁዋ ጸብጺቡ። እቲ ዕሸል ብለካቲት 2 ኣብታ ማዕከል እቲ ለበዳ ዝኾነት ዉሃን ዝርከብ ሆስፒታል እዩ ተወሊዱ። ኣደ እቲ ህጻን፡ ቅድሚ ምሕራሳ በቲ ቫይረስ ተለኺፋ ምንባራ እኳ እንተተረጋገጸ፡ ናብቲ ህጻን ብኸመይ ከም ዝተመሓላለፈ ኣይተፈለጠን። ዛጊት እቲ ሕማም 563 ሰባት ክቐትል እንከሎ፡ 28,018 ሰባት ተለኺፎም ኣለው። ቁጽሪ ናይቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ህጻናት ግና ኣዝዩ ሒደት እዩ። ነቲ ዜና ብረቡዕ ዝዘርግሐ ሺንሁዋ፡ እቲ ህጻን ክትትል ይግበረሉ ከም ዘሎን ኣብ ደሓን ኩነታት ምህላዉን ጸብጺቡ። ሰብ ሞያ ሕክምና፡ እቲ ሕማም ካብ ኣደ-ናብ-ዕሸል ኣብ ማህጸን ተመሓላሊፉ ክኸውን ከም ዝኽእል ግምቶም ይህቡ። ኣብ ሆስፒታል ህጻናት ዉሃን ላዕለዋይ ሓኪም ዘንግ ሊነግኮንግ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ \"ኮሮናቫይረስ ካብ ኣደ ናብ ዕሸል ክሰጋገር ከም ዝኽእል ኣድህቦ ክንገብርን የዘኻኽረና\" ኢሉ። እንተኾነ ግና እቲ ዕሸል ምስ ተወለደ'ውን ካብ ኣዲኡ ተመሓላሊፍዎ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግለጽ። \"እቲ ህጻን ኣዲኡ ክትስዕል እንከላ ኣመሓላሊፋትሉ ክኸውን ይኽእል እዩ\" ይብል ኣብ ዩኒቨርስቲ ኮሎምብያ ተመራማሪ ስነ-ሕማም ለበዳ ስቲፈን ሞርስ። እዚ ለበዳ ካብ ዘጋጠመሉ ክሳብ ሕጂ በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኽፉ ዝተረጋገጹ ህጻናት ሒደት እዮም። እዚ ምስቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተርኣዩ ሳርስን መርስን ዝርከብዎም ለበዳታት ኮሮናቫይረስ ተመሳሳሊ እዩ። ብመሰረት ጸብጻብ ጆርናል ማሕበር ሓካይም ኣሜሪካ፡ ማእከላይ ገምጋም ዕድመ ናይቶም በዚ ለበዳ ተለኺፎም ዘለው ሰባት ካብ 49 ክሳብ 56 ኮይኑ ኣብ ህጻናት ሳሕቲ እዩ ተራእዩ። ብተመሳሳሊ ኣብቲ ኣብ 2016 ዘጋጠመ ለበዳ መርስ'ውን ኣብ ህጻናት ብዙሕ ኣይተራእየን። ኣብ ሲንጋፖር ወዲ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ከምኡውን ሓደ ካብ ውሃን ናብ ኣውስትራልያ ዝኸደ ወዲ ሸሞንተ ዓመት በቲ ሕማም ተታሒዞም ኣለው። እቲ ቫይረስ ካብ ቻይና ወጻኢ ኣብ 25 ሃገራት ኣብ 191 ሰባት ዝተርኣየ ኮይኑ፡ ዝሞቱ ግን ክልተ ጥራሕ እዮም። ኮሮናቫይረስ ብርቱዕ ረኽሲ ስርዓተ ምስትንፋስ ዘስዕብ ረስኒ፣ ደረቕ ሰዓል፡ ዝረኣዮ ሕማም እዩ። መብዛሕትኦም በቲ ሕማም ዝተትሓዙ ሰባት፡ ልክዕ ከም ዝኾነ ሰዓል፡ ምሉእ ብምሉእ ሓውዮም እዮም።","category":"መፅናዕቲ ሕክምና\/ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51396155"} {"headline":"ብ3ዲ ዝተሓትመ ሰብ-ሰርሖ ዓይኒ ክትከለሉ ፍቓደኛ ዝኾነ ፈላሚ ውልቀሰብ","content":"ሓደ ተቐማጢ ከተማ ለንደን ዝኾነ ውልቀሰብ እቲ ፈላሚ ብ3ዲ (ስሪ-ዲ) ዝተሓተመ ሰብ-ሰርሖ ዓይኒ ክትከለሉ ክኸውን እዩ። ስቲቭ ቬርዚ እቲ ብ3ዲ ዝተሓትመ ዓይኒ ኣብ ሆስፒታል ዓይኒ ሞርፊልድ ለንደን ክትከለሉ እዩ። እቲ ሓድሽ ዓይኒ ካብቲ ኣብ ጥቕሚ ዝጸንሐ ሰብ-ሰርሖ ዓይኒ ብዝበለጸ ተፈጥሮኣዊ ከምዝመስል ተስፋ ይግበር። ብዘይካ'ዚ እቲ ናይ 3ዲ ተክኖሎጂ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ሰብ-ሰርሖ ዓይኒ ንምግጣም ዘድልይ ዝነበረ ግዜ ብፍርቂ ማለት ናብ ሰለስተ ሰሙን ከጉድሎ ምዃኑ ይግለጽ። እቲ ሰብ-ሰርሖ ዓይኒ ንናይ ምርኣይ ክእለት ዝመልስ እኳ እንተዘይኮነ፡ ተፈጥሮኣዊ ዓይኒ ስለዝመስል ንርእሰ ምትእምማን ናይቶም ተሓከምቲ ክብ ከምዘብል ተሓቢሩ። ኣብ 40ታት ዕድመ ዝርከብ ቬርዚ \"ካብ ቅድሚ ዕስራ ዓመት ጀሚሩ ሰብ-ሰርሖ ዓይኒ የድልየኒ ነይሩ. . . ካብ ገዛይ ክወጽእ እንከለኹ ኣብ መስትያት ዓይነይ እርኢ እሞ ኣየሕጉሰንን\" ኢሉ። \"እቲ ሓድሽ ዓይኒ ብሉጽ ይመስል። ብመሕተሚ 3ዲ ቴክኖሎጂ ምድላው ዝሓሸ ክኸውን እዩ\" ኢሉ። ንሓደ ውልቀሰብ፡ ሰብ-ሰርሖ ዓይኒ ንምትካል ብዓቐን ዓይኑ ምድላው የድልይ። ብ3ዲ ሰብ-ሰርሖ ዓይኒ ናይ ምፍራይ መስርሕ ካብ ክልተ ክሳዕ ሰለስተ ሰሙን ዝጠልብ ኮይኑ፤ ኣብቲ ፈላሚ ቆጸራ ፍርቂ ሰዓት ጥራይ ከምዘድልይ እቲ ሓበሬታ የረድእ። ኣብ ሆስፒታል ዓይኒ ሞርፊልድስ ኣማኻሪ ሕክምና ዓይኒ ዝኾነ ፕሮፌሰር ማንዲፕ ሳጎ ምሉእ ብምሉእ ዲጂታል ዝኾነ ሰብ-ሰርሖ ዓይኒ ብምምዕባሉ መሳርሕቱ ኣዝዮም ከምዝተሓጎሱ ገሊጹ። \"እቲ ዝቕጽል ፈተነ ንሓከምቲ እንታይ ዓይነት ፍልልይ ከምዘምጽእ ብምርኣይ ንጥቕሚ ናይዚ ሓድሽ ተክኖሎጂ ብዝምልከት ጽኑዕ መረዳእታታት ከምዝህበና ንትስፎ\" ኢሉ።","category":"መፅናዕቲ ሕክምና\/ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59427271"} {"headline":"ቅድሚ 5000 ዓመት ብሕማም ተላገብ ዝሞተ ሰብ ኣስክሬን ተረኺቡ- ተመራመርቲ","content":"ተመራመርቲ፡ በቲ ዳሕራይ 'ብላክ ደዝ' (ሕማም ፌራ) ተባሂሉ ዝተጸወዐ ኣብ መላእ ኣውሮጳን ኤስያን ሚልዮናት ሰባት ዘህለቐ መበገሲኡ ንምፍላጥ ክሕግዞም ዝኽእል፡ ቅድሚ 5ሽሕ ዓመታት በቲ ሕማም ዝሞተ ሰብ ኣስክሬኑ ከምዝረኸቡ ኣበሲሮም። እቲ ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ላቲቭያ ዝሞተ ሰብ፡ ጠንቂ ሞቱ ሕማም ተላገብ ከምዝኾነ እቲ ዝተገበረ መጽናዕቲ ይሕብር። እቲ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ኣቢሉ ዝጀመረ ሕማም ተላገብ ኣብ 1300ታት ኣብ ኣውሮጳ ንፍርቂ ብዝሒ ህዝቢ እታ ኣህጉር ከምዘጽነተ ይግለጽ፥ እቲ ተላባዒ ሕማም ኣብ 1300ታት ናብ ኣውሮጳ ብምስፍሕፋሕ ኣብ ዘመናት ብሚልዮናት ዝቁጸሩ ሰባት ከምዘህለቐ'ዩ እዚ መጽናዕቲ ዘረድእ። ዶክተር ቤን ክራውስ ክዮራ ካብ ዩኒቨርስቲ ከይል ጀርመን \"እዚ ኣስክሬን 5300 ዓመታት ዘቁጸረ'ዩ፤ ክሳብ ሕጂ ብዝተገበረ መርመራታት እዚ ኣስክሬን፡ እቲ ዝቐደመ ብሕማም ተላገብ [ተላባዒ ሕማም] ዝሞተ ሰብ ምዃኑ ክንፈልጥ ክኢልና ኣለና\" ኢሉ። እቲ ሬሳ ምስ ካልኦት ሰለስተ ሰባት ኣብ ኣብ ላቲቭያ ኣብ ጥቃ ፈለግ ሳላክ እዩ ተረኺቡ። እቶም ተመራመርቲ ካብ ኣዕጽምትን ስንን እቶም ኣስክሬን ቅምሶ ብምውሳድ ናይ ዲኤንኤ መርመራ ብምግባር ኣብቲ ኣስክሬን ባክተርያ ወይ ቫይረስ እንተነይሩ ንምፍላጥ'ዮም ፈቲኖም። ኣብ ሓደ ካብቶም ኣስክሬናት፡ ክመውት እንከሎ ወዲ ዕስራታት ዝነበረ ብሰንኪ የርሲና ፐስቲስ ዝተብሃለ ዓይንት ባክተርያ ክስዕብ ዝኽእል ዓይነት ተላጋቢ ሕማም ከምዝነበሮን ብሰንኩ ከምዝሞተን ክፈልጡ ኽኢሎም። ዶክተር ቤን ክራውስ ክዮራ፡ \"ብምጹጹላይ ምስ ተነኸሰ እቲ የርሲማ ፐስቲስ ዝተብሃለ ቫይረስ ተመሓላሊፍዎ ይኸውን፡ ብድሕሪኡ ድሕሪ መዓልታት፡ ወይ'ውን ሰሙን በቲ ዝጋጠሞ ብርቱዕ ረኽሲ'ዩ ሞይቱ\" ኢሉ። መርመራ እቲ ተላባዒ ሕማም ኣብ ማእከላይ ኣውሮጳ ሕራሻ ኣብ ዝጀመረሉ፡ ጀሚሩ ክኸውን ከምዝኽእል'ዩ ግምታት ዘለዎም። እቶም ተመራመርቲ እቲ ባክተርያ ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ምስሓለፈ ቀልጢፉ ከምዘይተላበዐ'ዮም ኣብ መርትዖ ዝተመርኮስ ግምታት ዘቐምጡ። እቲ ባክተርያ ምስ ግዜ ቅርጹን ጠባዩን እናቐያየረ፡ ኣብ ሰብ ክላበዓሉ ናብ ዝኽእል ደረጃ ከምዝፈለቐን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብቁንጪ እናተመሓላለፈ ኣብ ኣውሮጳ ሚልዮናት ሰባት ከምዘህለቐን እዩም ተመራመርቲ ዝሕብሩ። ኣብ መጀመርታ ዝነበሩ ተላባዕቲ ሕማማት ንምንታይ ብዘገምታ ይላብዑ ነይሮም ዝብል ሕቶ ንብዙሓት ተመራመርቲ ኣውሮጳን ኤስያን መልሲ ንምርካብ ብድሆ ኮይንዎም'ዩ ዝርከብ። ገለ ገለ ተመራመርቲ እዚ ሕጂ ሓዲሽ ዝተቃለሐ ርኽበት ናይዚ ኣስክሬን ብጸጋ ክቕበልዎ እንከለዉ፡ እቲ ለበዳ ኣብቲ እዋን'ዩ ኣብ መላእ ኣውሮጳ ኣስፋሕፉሑ ንዝብል መደምደምታ ግን እዚ ርኽበት ንበይኑ መልሲ ከምዘይኮነ'ዮም ዝማጎቱ። ሰባት በቶም ባክተርያ ዘለዎም ምጹጽላይ ወይ ብቁንጪ ምስ ዝንከሱ በቲ ተላባዒ ሕማም ናይ ምልካፍ ተኽእሎ ኣለዎም፡ እቲ ሕማም ክሳብ ሕጂ ኣብዛ ዓለም ኣሎ፡ እንተኾነ ብጸረ ባክተርያ ክሓዊ ዝኽእል ሕማም እዩ ኮይኑ ዘሎ።","category":"መፅናዕቲ ሕክምና\/ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57662106"} {"headline":"ኦስትርያ፡ ብጌጋ ጥዑይ እግሪ ናይ ሕሙም ዝቖረጸት ዶክተር ተቐጺዓ","content":"ኣብ ኦስትርያ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ሓንቲ ዶክተር ብጌጋ ጥዑይ እግሪ ናይ ሕሙም ብምቁራጻ ብገንዘብ ተቐጺዓ። እቲ ኣብ ሕክምና ደቂሱ ዝነበረ ሽማግለ ብዘጋጠሞ ሕማም ጸጋመይቲ እግሩ ክትቁረጽ እኳ ዶኳትር እንተወሰኑ፡ እታ ነቲ መጥባሕቲ ዘካየደት ዶክተር ግን ብጌጋ ንየማነይቲ እግሩ ቆሪጻቶ፡ እቲ ጌጋ ከም ዝተፈጸመ ኸኣ ድሕሪ ክልተ መዓልታት ናይቲ መጥባሕቲ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ትማሊ ሮቡዕ ኣብ ሊንዝ ኣብ ዝውዓለ መጋባእያ፡ እታ ዶክተር ኣብ ስርሓ ዕሽሽነት ብምርኣያ 2700 ኢሮ ክትቅጻዕ ቤት ፍርዲ ወሲኑ። እቲ ሕሙም ጉዳዩ ናብ ቤት ፍርዲ ቅድሚ ምምርሑ'ኳ እንተሞተ፡ ብዓልቲ ቤቱ 5000 ኢሮ ካሕሳ ክውሃበ እቲ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ ኣሎ።. ኤኤፍፒ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ሕሙም ኣብ ወርሒ ግንቦት'ዩ ንኽሕከም ናብታ ፍረስተዳት ዝተብሃለት ክሊኒክ መጺኡ፡ እታ እግሩ ክትቁረጽ ከምዘለዋ ኣብ ውሳነ ምስ ተበጽሐ፡ እታ ሓኪም ነታ ሕምምቲ ገዲፋ ኣብታ ጥዕይቲ እግሩ ምልክት ገይራትሉ። እቲ መጥባሕቲ ምስ ተኻየደ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ባንዴጅ ክቅይርሉ ነቲ ቁስሊ ምስ ፈትሕዎ'ዩ ጌጋ ከምዝተፈጸመ ክርድኦም ክኢሉ። እታ ሕምምቲ እግሩ ግድን ክትቁረጽ ስለዝነበራ ኸኣ ጸጋመይቲ እግሩ ክትቁረጽ ኢሉ ዝመጽአ ሽማግለ ክልቲኤን ኣእጋሩ ክስእን ክኢሉ። ኣብቲ እዋን ዳይረክተር ናይቲ ሆስፒታል፡ እቲ ጌጋ ናይቲ ሕክምና ምዃኑ ብምግላጽ ብወግዒ ይቅሬታ ሓቲቱ።","category":"መፅናዕቲ ሕክምና\/ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59501322"} {"headline":"ዝዘርእዎ ዓፂዶም ዝሓፈሱ ስድራ መምህር ዘርኣብሩኽ","content":"መምህር ዘርኣብሩኽ ኣሳየሀኝን መምህርት ለምለም በርሀን ኣብ ከተማ ዓድዋ ሓዳር ገይሮም ፅቡቕ ምንባር ይጅምሩ። ዒሕ ፍንፅሕ ኢሎም ዘዕበይዎን 'ሓየት' ኢሎም ዝሰየምዎን ቦኹሪ ወዶም በሊሕ ኣእምሮ ዝወነነ፤ ብትምህርቱ መሰታ ዘይተረኸቦ ኰይኑ ይዕወት። ዓስራይ ክፍሊ ምስ በፀሐ ግን ብጠንቂ ሕማም ህይወቱ ይስእን። እንዳ መምህር ዘርኣብሩኽ መሪር ሓዘን ኣንፀላልዩ፤ ተጣዒሶም ዘይመልስዎ ጓሂ ይፀዓኖም። ስድራ ፅልምትምት ይብሎም። ኣብ ልዕሊ ድኽነተን ምራኸን ይሞተን ኰይኑ ድማ፡ መምህር ዘርኣብሩኽ ዓንዲ ሕቝኦም ሓሚሞም ብእግሮም ይተሓዙ። ሕዚ እውን ኣብቲ ስድራ ቤት፡ ተደራቢ ፀገም፤ ተወሳኺ ሻቕሎት ይፍጠር። ኰይኑ ግና ገደል እንተጓንፍ መደያይቦ ስለዝፍጠር፡ ንሓዘን እቲ ስድራ ዝድብስ፤ ቁስሊ እቲ ገዛ ዘሕዊ ክስተት ድማ ይበርቕ። ሰገንን ሸዊትን ማናቱ ደቆም ብሩህ ሕልና ተዓዲለን ቆቋሓት ኰይነን ቅልቅል በላ። ሞት ዓብዪ ሓወን፡ ከንፈረን ረምጢጠን ጥራይ ዝሓልፈኦ ክስተት ክኸውን ኣይከኣለን። ኣንጀተን ኣፅኒዐን፡ ዝያዳ ኒሕ ሰኒቐን በርደግ ንኽብላ ሓፊስ ደመን ጓሃረ። ሓዘን ወለደን ብዘየቋርፅ ንፍዓተን ክድበስ፡ ብሕታዊ መፍትሒ ገይረን ዓትዒተን ሓዛ። ብኻልእ ገፅ ድማ ወላዲአን ብሕፅረት ሕክምና ሕቘኦም ክጉዘዩ ምኽኣሎም ናብ ሕክምናዊ ትምህርቲ ከቋምታ መበገሲ ስጉሚ ረኸባ። ማናቱ ደቆም ኣብ ትምህርተን ፀብለልታ እናርአያ ብምቕፃለን፡ ገፅ ስድራ እንዳ መምህር ዘርኣብሩኽ ከም ዕምበባ ምሸላ ክምስታ እናዓሰሎ፡ ታሕጓስ እናተፀምበለ ከደ። እቲ ገዛ ድማ ገዛ እንዳ መማህራን ምስ ምዃኑ፡ ብትምህርትና ክንሓምቕ ኣየጥዕመልናን ዝብል ተደራቢ ወነ ክሕንገጣ ኣኽአለን። መምህር ዘርኣብሩኽ \"ንሕና ሃፍትና ኣብ ትምህርቲ እዩ፤ካልእ ሃፍቲ የብልናን። ወላዲ ንውልዱ ገንዘብ እንተይኰነስ ፍልጠት ከውርሶ ኣለዎ። ልዕሊ ኹሉ፡ ደቀይ ዓርሰ እምነት ንኽህልወን ይገብር ነይረ፤ ከይተሸቑረራ ነፃ ኰይነን ንኽነብራ ይሰርሕ ነይረ። ካውኡ ሓሊፉ ድማ ስራሕ ውሽጢ ገዛ፡ ንሕና ክንሽከሞ ክኢልና፤ብፍላይ በዓልቲ ገዛይ ዳርጋ ኩሉ ባዕላ ትሰርሖ ነይራ። መማህራን ስለዝዀንና ድማ ብመማህራን ዝወሃበን ርእይቶ ንቕበሎ ነይርና። ገለ ወለዲ ኣብ ክንዲ ውላዱ ኰይኑ እዩ ዝኹሪ፤ ንሕና ግና ምስቲ መማህራን ምዃንና ንወለዲ ዝወሃበና ርእይቶ ነተግብሮ ነይርና\" ብምባል ፍልፍል ዓወት ደቆም ይገልፁ። ሰገንን ሸዊትን መጽሓፍ እንተሒዘን ፀዊዕኻየን ከምዘይሰምዓ ወላዲኤን ይዛረቡ። ገና ቈልዑ ኰይነን እኳስ ጋዜጣ ተማቒለን የንብባ ነይረን። \"ደቅና ምስ ተወለዳ ምእንታን ብፅቡቕ ክነዕብየን ዝጀመርናዮ ገዛ እኳስ ኣቋሪፅና፤ ኣብ ገዛ ኽራይ ነቢርና\" ይብላ መምህርት ለምለም በርሀ። ሰገንን ሸዊትን ካብ ኣጸደ ህፃናት ክሳብ ዓስራይ ክፍሊ ኣብ ዓድዋ ደንቦስኮ እየን ተማሂረን፤ ብድሕሪኡ ናብ ንግስተ ሳባ ተዛዊረን። \"ሓደ እዋን ሰራሕተኛ ገዛ ወፂኣትኒ፡ ሓግዛኒ ኢለየን፤ ንሳተን ድማ ሓዲኡ ኣትሕዝና ኢለናኒ፤ ወይ ምህሮና ወይ ድማ ስራሕ ገዛ ሓዲኡ ኣትሕዝና። ዎው ይቕረየኒ በላ ድንቂ ንዓይ ይኽፍአኒ ኢለ ናብ ስራሕ ኣትየ። ኣብ ባይታ ኣንፂፈን እንትድቅሳ፡ ኣነ እውን ምእንቲ ክንቕንቐን እሞ ንኸፅንዓ ምስአን ኣብ ባይታ ይድቅስ ነይረ። ብደንቢ ሓብሒብና ኢና ኣዕቢናየን። ፍረ ፃማና ምርኣየይስ ሕጉስቲ እየ\" ኢለን መምህርት ለምለም። መምህርት ለምለም በቲ ጥፉእ ወደን ሓዚነን ንበዓል ሰገን ካብ ምሕብሓብ ዓዲ ኣይወዓላን፤ ግዳስ ብህልኽ ብደቀን ክካሓሳ ለይቲ ምስ ቀትሪ ከምዝፀዓራ ይዛረባ። \"ሓደ ሓደ ኣደታት ነብሰን ጥራይ ከፀብቓ ይደልያ። እተን ቈልዑ ይስረሐኦ ኢለን፤ ናብ ባዕለን የድህባ። ኣነ ግደፋ፡ ዕድለን ኣይትስበራለን እየ ዝብለን። ናትና ግዜ ኦሮማይ ሓሊፉ እዩ፤ ንደቅና ኢና ክንሓስብ ዝግበአና\" ብምባል ኣደታት ሕልፊ ፀውራ ከምዘለወን ይገልፃ። ሰገንን ሸዊትን ከም መጠን ማናቱ ኩሉ ነገረን ሓደ ዓይነት እዩ። ኣብኣ ናብኣ ግና ሸዊት ቁሩብ ቅልጥፍ በሃሊት፡ ሰገን ህድእ ዝበለት እያ። ገንዘብ ክለኣኸለን እንከሎ እውን ሰገን ኣብ ኣተኣልላያ ገንዘብ ቁሩብ ትሓይሽ ዝብል ምስክርነት ሂበን መምህርት ለምለም። ክሳብ ንወላዲተን ዘጋጊ ምምስሳል እውን ኣለወን። \"ኣነ ኣይፈልጠንን፤ ሰገን ፀላም ቡረት ነይራታ ኣብዛ ገንበራ፡ ንላዕሊ እናሰብሰበ ከይዱ። ኣብዚ ዕድሚኤን እኳስ ኣብ ስእሊ የጋግያኒ። ስልኪ እንትድውላ እውን ሓደ እዩ ድምፀን፤ የጋግያኒ። ሸዊት ዲኺ? ኣይ ሰገን እየ፤ ሰገን ዲኺ? ኣይኰንኩን ሸዊት እየ ይብላኒ፤ ምስለንን ድምፀንን ክሳብ ሕዚ ኣየለልየንን\" መምህር ዘርኣብሩኽ ደቆም ናብ ዩኒቨርሲቲ እንትኣትዉ ብጽሑፍ ዝህብዎም ሓደራ'ሎ። \"ቀዳማይ፡ ቅድሚ ሎሚ ዝተሳእነ ዕድል ኣለና፤ ኣብቲ ቦኽሪ ውላድና ዝሰኣንናዮ ዕድል፡ ንወለድኽን ክትክሕሳ ኣለክን፤ ካልኣይ በቲ ዘብረቕርቕ ዓለም ከይተታለልክን ክትወፅኣ ኣለክን፤ ኩሉ ነገር ደሓር ክተርክባሉ ኢኽን እየ ዝብለን። እንተተማሂርካ ኩሉ ይፈትወካ፤ እንተሰኒፍካ ግን ሰብ ኣይዝክረካን። ዝተምሃረ ዝደሓነ እዩ፤ ነዚኣ ፈሊጥክን ሕድሪ ወለድኽን ኣፅንዓ ኢለ እፅሕፈለን፤ ኣብ መወዳእታ እታ ሕድሪ ዝሓዘት መዘከርታ ጥራዝ ሒዘን ይቐርባ። ንቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ዝተመረቐ ወደይ እውን ከምኡ\" ብምባል መምህር ብዛዕባ ሕድሪ ወለድን ደቆምን ይዛረቡ። ሰገንን ሸዊትን እውን ነቲ ሕድሪ ኣፅኒዐን፡ ኣብ ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ንሸውዓተ ዓመት ሞያ ሕክምና ብኽልስ ሓሳብን ተግባርን ተማሂረን ጥሪ 2\/2012 ዓ.ም ተመሪቐን። \"ኣቦና ኣብ ደቀይ እየ ኢንቨስት ዝገብር ዝብል ፅቡቕ ኣባህላ ኣለዎ፤ ሸውዓተ ዓመታት ምሉእ፡ ኹለመዳይ ሓገዝ ከይተፈለየና ኢና ኣሕሊፍናዮ። ሓገዝ ቤተሰብ ወሳኒ እዩ። ወለድና፡ ብፍላይ ጓል እንተምሂርካያ እያ ፅቡቕ ትኸውን፤ ትሕግዝ እውን ኢሎም ይኣምኑ። ንሳቶም ተዘይህልዉ ነይሮም ኣብ ህይወትና፡ ኣብዚ ኣይምበፃሕናን ኢለ እሓስብ። ቤተሰበና ብጣዕሚ ከመስግኖም እደሊ\" ብምባል ሓሳብ ልባ ትገልፅ ዶ\/ር ሸዊት ዘርኣብሩኽ። ኣብ ኣጸደ ህጻናት ኢድ ንኢድ ተታሒዘን ብምኻድ ፊደል ዝቘፀራ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ መሰናድኦ ንግስተ ሳባ እውን ብፅቡቕ ውፅኢት ዛዚመን። ብድሕሪኡ እውን ከይተፈላለያ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእትው ውፅኢት ብምርካብ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣብ ዓይደር 'ካምፓስ' ኣብ ሓደ መደቀሲ ክፍሊ ንሸውዓተ ዓመታት ብዘይምፍልላይ ዘሊቐን። \"ማናቱ ምዃንና ዝበዝሕ ምርጫና ተመሳሳሊ እዩ፤ ካብ ንፈትዎ ምግቢ ኣትሒዙ ክሳብ ንፈትዎ ዓይነት ትምህርቲ ማዕረ እዩ ምርጫና። ግድን እኳ ተዘይኰነ ኣመሻሽጣ ጨጉርና እውን ሓደ ዓይነት ዝዀነሉ እዋን'ሎ\" ትብል ሰገን። ክሳብ ሕዚ ብዝበዝሕ ተመሳሳሊ ምርጫ ዝተጓዓዛ ሰገንን ሸዊትን፡ ካብ ሕዚ ንደሓር ኣብ ዝህሉ ምርጫ ሕክምናዊ ትምህርቲ ግን ዝፈላለያ ይመስላ። ሸዊት ብመሰረት ኣብ ውሽጢ እዚ ክልተ ዓመት ዘማዕበለቶ ድልየት፡ ሕክምና ልዕሊ ኽሳድ ማለት እውን ሕክምና ኣፍንጫ፣ ኣፍን እዝንን ንምምሃር ወሲና ኣላ። እዚ እውን ኣብ ስራሕ፡ እዝኖም ዘይሰምዑ ህፃናት ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ ስለዝነበራን ኣብቲ ሕክምና ፅቡቕ ለውጢ ከምፅእ ይኽእል እየ ኢላ ስለዝሓሰበትን ቀፃሊ ምርጭኣ ክኸውን ከምዘኽአለ ትገልፅ። ሰገን ብወገና፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ናብ ናይ ቈልዑ ሕክምና ዘድሀበ ምርጫ ከምዘለዋ ተረዲኣ ኣላ። ሞያ ሕክምና ፍቕሪ ሓዊስካ ዝፍፀም እምበር ከምቲ ካልእ ሞያ መእተውን መውፅእን ሰዓት ተቘፃፂርካ ዝካየድ ስራሕ ኣይኰነን። ዶ\/ር ሰገን \"ትምህርቲ ሳይንስ ሕክምና፡ ፅባሕ ወይ እውን ድሕሪ ፅባሕ ከርክበሉ እየ እትብሎ ዘይኰነስ ሎሚ መዓልቲ ዝተመሃርካያ፡ ኣብታ መዓልቲ ንሳ ኣንቢብካያ ክትሓድር ኣለካ ትብል። ምኽንያቱ ደሓር ነቲ ትምህርቲ ወዲእኻ ምስተመረቕካ ህይወት ሰብ ኣብ ምድሓን ኢኻ ትሰርሕ። ስለዚ ካብ ሀ ክስብ ፐ ክተፅንዖን ነቲ ሞያ ክትመልኮን ከምትግደድ እያ ትገልፅ። \"ደሓር ሕክምና ምስጀመርካ ከዓ፡ ሰብ ካብቲ ሕማሙ ንላዕሊ ህይወቱን ፀገሙን የዋግዐካ፤ ኣብ ህይወት ሰብ ኢድካ ስለተእቱ ብብዙሕ ነገራት ፈታኒ ሞያ እዩ። ምኽንያቱ ሓኪምካ ጥራይ ክትሰዶ ኣይትኽእልን፤ መሐከሚ ከምዝጐደሎ ደሓር እውን በሊዑ ነብሱ ዝፅግነሉ ከምዘይብሉ ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ፤ እዚ ድማ ብጣዕሚ እዩ ዝርብሸካን ናብ ገዛኻ ከይድካ እኳስ ሓኪመ ሰዲደዮ ኢልካ ዘይትቐስነሉን ትሻቐለሉን ኩነታት ኣሎ። ግን ድማ ሓኪምካዮ ኣብኣ ናብኣ ውፅኢትካ ስለትርእየሉ፡ ሞያ ሕክምና ካብ ካልኦት ዝተፈለየ እዩ። ከቢድ ግን ድማ ታሕጓስን ዕግበትን ትረኽበሉ ሞያ እዩ\" ብምባል ርዝነት ሞያኣ ትገልፅ ዶ\/ር ሰገን። ኣብ መኸምበቲ፡ ከምቲ ዶ\/ር ሸዊት ወለዳን ኣሕዋታን ንዝገበሩለን ኩለመዳይ ሓገዝ ዘመስገነቶ፤ ወላዲኣ መምህር ዘርኣብሩኽ እውን ንደቆም የቐንየልና ኢሎምዎን። \"ሕድሪ ወለድኽን ኣፅኒዕኽን ኣብ ሓደ ምዕራፍ ዓወት ስለዝበፃሕኽን የቐንየልና። እቲ ጉዕዞ ገና ኣይተዛዘመን፤ ኰይኑ ግና ቀፃሊ ጉዕዞኽን እውን ብዓወት ከምትዛዝመኦ ኣይጠራጠርን\" ብምባል ሕዚ'ውን ሕድሪ ወለዲ ከም ፅላሎተን ካብ ጐነን ከይተፈለየ ከምዝጓዓዝ ዝሕብር ማዕዳ ለጊሶም።","category":"መፅናዕቲ ሕክምና\/ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51081558"} {"headline":"ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ሃገራት፡ ኣብ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ጽልዋ ይህልዎ'ዶ?","content":"ውዑይ ኩነታት ኣየር ንኮሮናቫይረስ ክዓግቶ ይኽእል ድዩ ዝብል ሕቶ፡ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኩለን ሃገራት ምስ ምዝርግሑ፡ እቲ ተስፋ ዝሃፍፍ ዘሎ ይመስል፡ እንተኾነ ሓደሽቲ ዝግበሩ ዘለዉ መጽናዕትታት ጭልምልም ዝብል ተስፋ ዝሓዘሉ ይመስሉ። ኮሮናቫይረስ ወቕታዊ ድዩ ንዝብል ሕቶ ንምምላስ፡ ሕጂ ዝውሃቡ ግምታት ናብ መደምደምታ ዘብጽሑ ቅኑዓት መንገዲ ዘይክኾኑ ይኽእሉ እዮም፡ ምኽንያቱ ኮሮናቫይረስ ወቕታዊ ድዩ? ንዝብል ሕቶ ንምምላስ፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ቦታታት ንሓደ ዓመት ምሉእ (ንኹሎም ወቕትታት) ምክትታልን ምምዝጋብን የድሊ። ከም ኣካል እቲ ዓመት ክወስድ ዝኽእል መጽናዕቲ ግን፡ ክሳብ ሕጂ ዘሎ ዝርገሐን ኣብ ነብሲ ወከፍ ኪለማዊ ለውጥታት ምግላጽ ሓደ ነገር ከትሕዘና ይኽእል እዩ። ክሳብ ሕጂ ዘሎ መርትዖ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ኣብ ደረቕ ዛሕሊ ዘለዎ ዞባታት፡ ዝያዳ ዝዓመረ ከምዝኾነ ክርኣይ ይከኣል። ሓደ ዝተገበረ መጽናዕቲ ከምዘርእዮ፡ እተን ዝያዳ ብኮሮናቫይረስ ተጠቒዐን ዘለዋ ሃገራት (ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተገበረ መጽናዕቲ)፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኩነታት ኣየር ናይተን ሃገራት ዛሕሊ ዝዓብለሎ እዩ ነይሩ። ካልእ፡ ኣብ ልዕሊ 40 ኮሮናቫይረስ ዘለዎም ነበርቲ ዝተረኽብወን 100 ከተማታት ቻይና ዝተገበረ መጽናዕቲ'ውን ፡ ልዑል ሙቀትን ራህድን (ራሕሲ) ዘለወን ከተማታት፡ ውሑድ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ከምዝተራኣየን የመልክት። ሳልሳይ ዝተገበረ መጽናዕቲ እውን፡ ክሳብ 23 መጋቢት ኣብ ዝተገበረ ዳህሳስ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብተን ብተዛማዲ ዝሑልን ደረቕን ኩነታት ኣየር ዘለወን ሃገራት፡ ልዑል ምንባሩ ይገልጽ። እንተኾነ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ 'ሎንዶን ስኩል ኦፍ ሃይጂን ኤንድ ትሮፒካል መዲስን' ዝርከቡ ተመራመርቲ ግን፡ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኩሉ ዓይነት ክሊማ ዘለወን ሃገራት ድሮ ተዘርጊሑ ስለዘሎ 'እዚ ቫይረስ ኣብ ደረቅ ዛሕሊ ዘለወንን ራህዲ ዘለዎን፡ ዝያዳ ዝርገሐ ኣለዎ ምባል ህዉኽ መደምደምታ ከይኸውን ዘለዎም ስክፍታ ገሊጾም ኣለዉ። 'ፉሉ' ዝርከቦም ሓያሎ ቫይረሳት፡ ኣብ ወቕቲ ዝተመሞርኮሱ ኮይኖም ኣብ ደቡባውን ሰሙናውን ንፍቀ ክቢ ዝተፈላለየ ዝርገሐ እዩ ነይርዎም፡ እንተኾነ እተን ኣብ ቅናት ምድሪ ዝርከባ ሃገራት፡ ካብ ኣብ ሰሜንን ደቡብን ንፍቀ ክቢ ዝርከባ ሃገራት ዝተፈለየ ተርእዮታት እዩ ዘለወን። ኣብ ቅናት ምድሪ ዝርከባ ከም ማሌዥያን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ዝኣመሰላ ዋዕን ራህድን ዘለወን ሃገራት፡ እሞ ድማ ድሮ ኮሮናቫይረስ እውን ኣትይወን ስለዘሎ፡ ንወቕታዊ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝምልከት ጉዳያት፡ ኣብዘን ሃገራት እንታይ ክመስል ይኽእል፡ ንምግማቱ የጸግም እዩ። ኮሮናቫይረስ ዋላ ወቕታዊ ይኹን፡ ከምዝሓለፉ ቫይረሳት፡ ኣብዘን ሃገራት ዝተፈለየ ክስተታት ከየጋጥም ከም ነጥቢ ክቕመጥ ዝቕስብ እዩ። ናብ ደቡባዊ ንፍቀ ክቢ ዝርከባ ሃገራት ኣውስትራልያን ኒውዝላንድን ገጽና ምስ እነብል ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ክረምተን እዩ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ተርእዮታት ኮሮናቫይረስ ተቐላቂልወን፤ ምስ ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ ክቢ ዝርከባ ሃገራት ብምዝማድ ድማ፡ ዝወሓዱ ብኮሮናቫይረስ ዝተተሓዙ ሰባት እዮም ዘለዉወን። ነዚ ምሉእ መደምደምታ ንምሃብ ግን፡ ከም ኣብ ሓደ ውሱን ቦታ ዝነብሩ በዝሒ ህዝብን ካልኦት ረቛሒታትን ኣብ ግምት ምእታው ኣገዳሲ እዩ። እዚ ቫይረስ ኣብ ኩሉ ዓለም ይረአ ስለዘሎ ኸኣ፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ሃገርን ዞባን ምስ ዝህሉ ምልውዋጥ ናይ ወቕቲ፡ ምስ ኮሮናቫይረስ ዝህልዎ ምትእስሳር፡ ውርጹጽ (ርጉጽ) መደምደምታ ምሃብ ታህዋኽ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ተራእዮም ካብ ዝነበሩ ኮሮናቫይረሳት ዝያዳ ኣብ ሓጋይ ዝልዓለ ዝርገሐ ከምዝነበሮም፡ ኣብ 'ሎንዶን ስኩል ኦፍ ሃይጂን ኤንድ ትሮፒካል መዲስን' ዝርከቡ ተመራመርቲ ዝገበርዎ መጽናዕቲ ይሕብር። እዞም ተመራመርቲ ንልዕሊ 2000 ሰባት ዝምላእ መሕትትን ብምሃብ፡ ካብ ኣባላት ስድረኦም ዝኾነ ምስ ምስትንፋስ ዝተኣሳሰር ጸገማት እንተ ኣጋጢምዎም፡ ቅምሶ ናብቶም ተመራመርቲ ክልእኹ እዮም ሓቲተሞም። ብድሕሪ እዚ ነቲ ዝተለኣኸሎም ቅምሶ ናይ ዝተፈላለየ ዓይነታት ቫይረሳት፡ መርመራ ገይረሙሉ። በዚ መሰረት፡ ብዓሌት ኮሮናቫይረስ ዝብገሱ ሕማማት፡ ኣብ ወቕቲ ሓጋይ ዝያዳ ከምዝርኣዩን፡ ኣብ ክረምቲ ዝውሓደ ዝርገሐ ከምዘለዎምን፡ እዞም ተመራመርቲ ናብ መደምደምታ ከምዝበጽሑ ይሕብሩ። ሓንቲ ካብዞም ኣብ 'ሎንዶን ስኩል ኦፍ ሃይጂን ኤንድ ትሮፒካል መዲስን' ዝርከቡ ተመራመርቲ ኢለን ፍራንጋዚ ኮይና፡ ዝርገሐ ካልኦት ቫይረሳት ኣብ እዋን ክረምቲ ትሑት ምዃኑ እፎይታ ዝፈጥር እዩ፡ እንተኾነ እዚ ሓዲሽ ኮቪድ-19 እንታይ እዩ ክመስል ብኣንክሮ ኢና ንከታተሎ ዘለና\" ትብል። ኢለን ፍራንጋዚ ብምስዓብ፡ ቅልጡፍ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስን ሸፊንዎ ዘሎ ቦታን ኣብ ግምት ብምእታው ግን \"ተስፋታትን ከነዕቢ የብልናን\" ትብል። እዚ ሓዲሽ ኮሮናቫይረስ'ከ ከምቶም ካልኦት ኮሮናቫይረሳት ድዩ? እዚ ሳርስ ኮቭ-2 ዝብሃል ኮቪድ-19 ዝብሃል ሕማም ዘኸትል ኣብ ምትሕላላፉ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ቫይረሳት እዩ። እቲ ፍሉዩነቱ ርዝነት ናይቲ ሕማም ክሳብ ክንደይ'ዩ፡ ከምኡ እውን ብዝሒ ናብ ሞት ዘቃልዖም ሰባትን እዩ። ላዕለዋይ ሓላፊ ዩኒቨርሲቲ ሳውዝሃምፕተን ዶክተር ሚካኤል፡ እዚ ሕጂ ዝላባዕ ዘሎ ኮሮናቫይረስ፡ ኣገባብ ኣመዓባብልኡን ዝፈጠሮ ዘሎ ኣሉታዊ ጽልዋን ኣብ ግምት ብምእታው \" እዚ ቫይረስ፡ ካብቶም ሰዓል ዘኸትሉ ዓይነት ቫይረሳት ኣዝዩ ዝተፈለየ እዩ\" ይብል። \"ኮቪድ-19 ከምቶም ካልኦት ምስኡ ዝመሳሰሉ ኮሮናቫይረሳት ኣብ ክሊማዊ ለውጢ፡ ወቕቲ፡ ዓቀን ሙቐትን ራህድን ይምርኮስ ድዩ ንዝብል፡ ዓለም መልሲ ክትረኽበሉ ሃንቀው ትብል ዘላ ሕቶ ንምላስ ግን፡ ዘገም ኢልካ ምርኣይ ከድሊ'ዩ\" ዝብል መልሲ እዩ ዘለዎ።","category":"መፅናዕቲ ሕክምና\/ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52229970"} {"headline":"ፈላሚ ፈውሲ ኣለርጂ ፉል ብኣሃዱ ምቁጽጻር ምግብን ኣፋውስን ኣሜሪካ ተፈቒዱ","content":"ኣሜሪካ ኣብ ህፃናት ፉል ብምምጋብ ንዝፍጠር ቁጠዐ (ኣለርጂ) ዝፍውስ ፈላሚ መድሃኒት ኣፅዲቓ። እዚ AR101 ወይ ድማ ፓልፎሪዛ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ፈውሲ፡ ህፃናት ፉል ኣብ ዝምገብሉ ግዘ ንዝፍጠር ቁጠዐ ሰብነት (ኣለርጂ) ዝከላኸል እዩ። እዚ ብኣፍ ዝውሰድ መድሃኒት፡ ንልዕሊ ሽድሽተ ኣዋርሕ ዝዕድመኦም ሕጻናት በብቁሩብ ምስ ፉል ከምዝምገቡ ይገብር፤ ምስ ሰብ ሞያ ሕክምና ብምምኻር ድማ መጠን እቲ ዝወስድዎ ፉል ክውሰኽ ከምዝከኣል ይግለጽ። ድሕሪ'ዚ ተጠቀምቲ ብሰንኪ ፉል ንዝፍጠር ሃንደበታዊ ቁጠዐ ንምክልኻል፡ መዓልታዊ ዓቐን መድሓኒት ፓልፎሪዛ ክወስዱ ግድን እዩ። ኪኢላታት ጥዕና መድሓኒት AR101 ምሉእ ብምሉኡ ንቑጠዐ ፉል ዝፍውስ ከምዘይኮነን፡ ብርቱዕ ቁጠዐ ሰብነት ዘለዎም ሰባት ፉል ከይወስዱን ኣጠንቂቖም። ኣብዚ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ሃገራት ምዕራብን ኣመሪካን ከም ፉል ብዝኣመሰለ ምግቢ ዝፍጠር ቁጠዐ (ኣለርጂ) እናወሰኸ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ። እዚ ናይ ፉል ቁጠዐ (ኣለርጂ) ንምክልኻል ዘኽእል መድሓኒት AR101 ወይ ድማ ፓልፎሪዛ፡ ብኣሃዱ ምቁጽጻር ምግብን ኣፋውስን ኣሜሪካ ዝጸደቐ ፈላሚ መድሃኒት እዩ። እዚ መድሃኒት ግን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዛጊት ኣብ ኣገልግሎት ክውዕል ኣይተፈቐደን። ብመልክዕ ሕሩጭ (ፓውደር) ተሰሪሑ ኣብ ምግቢ ብምንስናስ ዝውሰድ መድሃኒት ፓልፎሪዛ፡ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ 17 ዝዕድሚአም ሰባት ጥራሕ ንክወስድዎ እዩ ተፈቒዱ ዘሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተመራመርቲ ኪንግ ኮሌጅ ለንደን፡ ብኣፍ ዝውሰድ መድሃኒት ቁጠዐ፡ መከላኸሊ እምበር ፈውሲ ክኸውን ስለዘይኽእል እቲ ቀንዲ መድሃኒት ሕሙማት ኣለርጂ ጥንቃቐ እንትገብሩ ጥራሕ ምዃኑ ሓቢሮም ነይሮም።","category":"መፅናዕቲ ሕክምና\/ጥዕና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51346127"} {"headline":"ጀርመን ኣብ ጉዳይ ካሕሳ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንጥልያን ከሲሳ","content":"ጀርመን ኣብቲ ንካልኣይ ኲናት ዓለም መንቀሊ ዝኾነ መጥቃዕቲ-ናዚ፡ ብዝምልከት ካሕሳ ንምሕታት ሕጋዊ ምንቅስቓሳት ኣሎ ክትብል ኣብ ዓለማዊ መጋባእያ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክሲ መስሪታ። ጀርመን፡ ኣብቲ ናብ ዓለማዊ መጋባእያ ፍትሒ [ International Court of Justice] ዘቕረቶ ጥርዓን፡ ኣብ 2012 ዝተዋህበ ብይን ብዝጻባእ መልክዑ፡ ኣብ ጣልያን ሕቶ ካሕሳ ገበናት ኲናት-ናዚ ይስማዕ ኣሎ ዝብል እዩ። ድሕሪ እቲ ናይ 2012 ብይን፡ ልዕሊ 25 ጉዳያት ካሕሳ ኣብ ቤት ፍርዲ ተሰሚዖም ይብል እቲ ክሲ። ኣብ ገለ ገሊኦም ድማ፡ ጀርመን ካሕሳ ክትከፍል ብይናት ዝተዋህቦም ምዃኖም ድማ እቲ ጥርዓን የመልክት። እዚ ናይ ሕዚ ጥርዓን ቀሪቡ ዘሎ ድማ፡ ብፍላይ ኣብ ጣልያን ዝርከብ ብጀርመን ዝውነን ንብረት ንካሕሳ ንክውዕሉ ክህገር ዝጠልቡ፡ ክልተ ክስታት ኣብ ከይዲ ስለ ዘለዉ እዩ ተባሂሉ። እቲ ኣብ ጣልያን ዝርክብ ቤትፍርዲ፡ እቲ ቤት ትምህርቲ፣ ታሪኻውን ባህላውን ህንጻታትን ጀርመን ዝሓቖፈ ትካል ኣመልኪቱ፡ ግንቦት 25 ብይን ክህበሉ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ። እቲ ክትዕ ኣብ 2008 ዝተጀመረ እዩ። ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ጣልያን፡ ቱስካኒ ኣብ ዝተባህለት ግዝኣት ካብ ሓይልታት ጀርመን ካብ ዝተቐትሉ 203 ሰባት ነቶም ኣባላት ስድራ 9 ሰባት፡ ጀርመን ሓደ ሚልዮን ፓውንድ ክትከፍሎም ከም ዝበየነ ይዝከር። ጀርመን፡ ኲናት ካልኣይ ዓለም ኣብ 1945 ምስተዛዘመ፡ በቲ ኲናት ንዝተሃሰያ ሃገራት ብቢልዮናት ዶላር ዝቑጸር ገንዘብ፡ ካሕሳ ከፊላ ኢላ እያ ትምጉት። እቲ ሕዚ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረበቶ ጥርዓን ድማ፡ ጣልያን \"ብመሰረት ሕጊ ዓለምለኸ ንብረት ጀርመን ናይ ዘይምትንካፍ መሰል ናይ ምኽባር ግቡኣ ኣይተዋጸአትን\" ክትብል እያ ከሲሳ ዘላ። እቲ ዓለማዊ መጋበእያ፡ ኣብቲ ጉዳይ ብይን ንክህብ ዓመታት ክወስደሉ ይኽእል እዩ። እንተኾነ፡ እዚ ዓቢዪ ጉዳይ ዕልባት ክሳብ ዝረክብ፡ እቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ጣልያን ዘሎ ጉዳያይ ንግዚኡ ጠጠው ክብል እዩ ዝሓትት። ምቕማጡ ኣብ ከተማ ሄግ ኔዝርላንድስ ዝኾነ እዚ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ፡ ቀንዲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ፡ ብኣውርኡ ዝምለከቶም ጉዳያት ድማ፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ዘጋጥሙ ሕጋዊ ክትዓት እዩ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61244093"} {"headline":"ስለምንታይ'ዮም ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ሰላማውያን ሰባት ዝቕተሉ ዘለው?","content":"መሓመድ ዮሱፍ፡ ኣብ 1990ታት ናብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ክጣየስ እንከሎ፡ ኣቦ ሽዱሽተ ቈልዑ'ዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን፡ እታ ኣብ ክልል ኣምሓራ እትርከብ ዝነብረላ ዝነበረ፡ ሃርቡ ዝተባህለት ዓዲ፡ ብሓያል ድርቂ ተጠቒዓ ነበረት። ብሰንኪ'ዚ ናብ ክልል ኦሮሚያ ዝተሰደት ስድራቤት መሓመድ፡ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ወረዳ ጊምቢ ዑቑባ ረኺባ፣ ናብራኣ ከም ብሓድሽ ጀመረት። ይዅን’ምበር፡ እዚ ወዲ 64 ዓመት ሰብኣይ፡ ብሰንኪ'ቲ መራሕቲ እታ ሃገር “ብሄር ተኰር” ኢሎም ዝገለጽዎ፡ ብ18 ሰነ 2022 ኣብታ ወረዳ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ዳርጋ ኵሎም ደቁን ደቂ ደቁን ስኢኑ ኣሎ። በዅሪ ጓሉ፡ ጓል 40 ዓመት ሰሚራ መሓመድን ቈልዓ ኣርባዕተ መዓልቲ ጥራይ ዝነበረት ዕሸል ጓል ሓፍቱን ካብቶም ኣብታ ወረዳ ዝተቐትሉ ልዕሊ 300 ሰላማውያን ሰባት እዮም። ንሱ፡ “ደቀይን ደቂ ደቀይን ዝርከብዎም 61 ሰባት ኣብ ሓደ ጉድጓድ ተቐቢሮም” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ብ4 ሓምለ 2022 ድማ፡ ካልእ መጥቃዕቲ ኣብ ክልተ ከባቢታት ዞባ ምዕራብ ወለጋ ተፈጺሙ። መሰኻኽር ዓይኒ፡ ኣብቲ ንሽዱሽተ ሰዓታት ዝጸንሐ መጥቃዕቲ ሰላማውያን ሰባት፡ ብኣልማማ ከም ዝተቐትሉን ውጻእ መዓት ዝዀኑ ኣብ መሳጊድ ክዕቘቡ ከም ዝተገደዱን ገሊጾም። “ብጣዕሚ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ’ዩ ነይሩ። ኣስታት 25 መናእሰይ ናብ ጫካ ተወሲዶም ከም ዝተቐትሉ ሰሚዕና። ክሳብ ሕጂ ግን ኣስክሬኖም ኣይረኸብናዮን” ክብል ሓደ ምስክር ዓይኒ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ነቲ መጥቃዕቲ “ዘስካሕክሕ” ኢሉ ክገልጾ እንከሎ፡ \"ፈጻሚኡ እዩ\" ንዝበሎ ዕጡቕ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ከም ዘጥፍእ ተዛሪቡ። ካብ ቀረባ ዓመታት ኣትሒዙ፡ ኣብታ ሃገር ዝፍጸሙ ብሄር ተኰር መጥቃዕታት እናሓየሉ ክመጽኡ እንከለው፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝፍጸሙ ግን ሕልፍ ዝበሉ ይመስሉ። መንግስቲ ፌደራልን፡ ባይቶ እታ ሃገር “ግበረሽበራዊ ጕጅለ” ዝበሎ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን በዞም ኣብቲ ክልል ዝፍጸሙ መጥቃዕታት ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖምን ኣለውን። መንግስቲ፡ እቲ ዕጡቕ ጕጀለ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕታት ይፍጽም ኣሎ ክብል እንከሎ፡ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ብወገኑ ንወተሃደራት መንግስቲ ይኸስስ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ቀረባ ንኣባላት ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “ከም ኦነግ ሸኔ ዝበሉ ግበረሽበራውያን ጕጅለታትን ካልኦትን ብሄርን ሃይማኖትን መሰረት ዝገበረ ግጭት ክልዓል ውዲት ይፍሕሱ ኣለው” ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ኣብቲ ብሸሞንተ ሓምለ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ተደጋጋሚ ብሄር ተኮር መጥቃዕታት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰባት ከም ዝፈጸመን፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ኣማኢት ሰባት ከም ዝቐተለን ገሊጹ። “እቲ ጕጅለ ኣብ ወርሒ ሰነ [2022] ቶሌ ኣብ ዝተባህለ ቀበሌ፡ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ ዝዀኑ ሰላማውያን ሰባት ግፍዓዊ ቅትለት ፈጺሙ፡” ይብል። ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ እቲ ክልል፡ ኣብ ከረዩ ዓሰርታት ዓበይቲ ዓዲ [ኣባ ገዳታት] ከም ዝቐተሉ ብምግላጽ፡ ነቶም ኣብ ቀረባ ዝተፈጸሙ መጥቃዕታት ንምጽራይ መርመራ ከም ዝጀመረ ሓቢሩ። ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ዳኒኤል በቀለ ንቢቢሲ ብኢሜይል ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ “ሕጂ’ውን መርመራ ነካይድ ስለ ዘለና፡ ተወሳኺ ሓበሬታን ቍጽርን ገና ኣይረኸብናን” ኢሉ። ንመሰላት ህዝቢ ኣምሓራ ዝጣበቕ ማሕበር ኣምሓራ ኣብ ኣሜሪካ ግን፡ እቲ ኣብቲ ክልል ንዝፍጸሙ ዘለው መጥቃዕታት ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልልን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ተሓተትቲ እዮም ይብል። ዳይሬክተር ሕጋዊ ኣገልግሎት እቲ ማሕበር ሆነ ማንደፍሮ፡ እቶም መጥቃዕታት ብሄር ዒላማ እዮም ኢሉ ይኣምን። ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ግን፡ ብድሕሪ እቶም መጥቃዕታት ዘሎ ኢድ መንግስቲ ከም ዝዀነ ብምግላጽ “ሽምና ንምጽላም ዘወሃሃዶም’ዮም” ይብል። ኣዛዚ እቲ ሰራዊት ኩምሳ ድሪባ [ጃል መሮ] ቅድሚ እቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ቶሌ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሰራዊቱ “ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ንዝፍጸሙ መጥቃዕታት ተሓታቲ ኣይኰነን” ኢሉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብ2018 ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸሙ መጥቃዕታት ከም ዝወሰኹ ይግለጽ። በዓል ሞያ ሕጊ ሕቡራት ሃገራትን ዲፕሎማትን ነበር ባይሳ ዋቅዋያ ብድሕሪ እቶም መጥቃዕታት ዘሎ መን’ዩ ዝብል ምፍላጥ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ምዃኑ ይዛረብ። “ኣነ ከም ዝመስለኒ፡ ሕጂ እቶም መጥቃዕታት በዚ መጠን ዝበዝሕሉ ምኽንያት፡ እቲ ጸገም ኣዝዩ ሰፊሕን ሱር ዝሰደደን ምዃኑ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ጌጋ ተፈጺሙ’ዩ። ናብኡ ተመሊስና ክንርእዮ እንተዘይክኢልና፡ እቲ ሕጂ ዘሎ ጸገም ዝፍታሕ ኣይመስለንን” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ማሕበር ኣምሓራ ኣብ ኣሜሪካ፡ እቲ ኣብ 1991 ኣብታ ሃገር ዝተኣታተወ ፌደራላዊ ስርዓተ ምሕደራ፡ እቶም ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኣምሓሩ ዝወርዱ ዘለው መጥቃዕታት ንኽበራኸቱ ተራ ኣለዎ ይብል። እቲ ማሕበር ኣብ ቀረባ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “እቲ ኣብ መጀመርታ 1990ታት ዝተኣታተወ ንህዝቢ ኣምሓራ ውሑዳን ዝገበረ ከፋፋሊ ፌደራላዊ ስርዓት “ኣፓርታይድ”፡ ኣብ ልዕሊ ኣምሓሩ “ጨፍጫፍ” ክፍጸም ገይሩ’ዩ” ይብል። ኣብ መወዳእታ 2021፡ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ፖለቲካዊ ፍልልያት እታ ሃገር ንምፍታሕ ዝሰርሕ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ክጣየስ ገይሩ’ዩ። ኣዛዚ እቲ ሰራዊት ኩምሳ ድሪባ፡ ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጎንጺ ንኸብቅዕ ኣብ ዝግበር “ተኣማኒ ዘተ” ንምስታፍ ድልውነት ከም ዘለዎ ተዛሪቡ ነይሩ። “ንዅሉ ዘሳተፈ ዘተ እንተዘይተኻይዱ ግን ኣብዛ ሃገር ኲናት ሓድሕድ ኣንጸላልዩ ኣሎ” ክብል ኣጠንቂቑ። ኣቶ ሆነ ማንደፍሮ ግን፡ መሰረታዊ ጸገም እቲ ሕገ መንግስቲ ከም ዝዀነ ይዛረብ። “ኵሉ ኢትዮጵያዊ ብማዕረ ዝርኣየሉ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት መሰረታዊ እዩ፣ ስለዚ ሕገ መንግስታዊ ምምሕያሽ የድልየና እዩ፡” ይብል። ክሳብ ሕጂ፡ ብሰንኪ እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ዘጋጥሙ ዘለው ጎንጺታት፡ ብዝሒ ዝተቐትሉ ሰባት ብልክዕ ክፍለጥ ኣይከኣልን። ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብቲ ብ18 ሰነ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ጥራይ፡ 338 ሰባት ከም ዝተቐትሉ'ኳ እንተገለጸ፡ ማሕበር ኣምሓራ ኣብ ኣሜሪካ ግን ቍጽሪ ግዳያት ልዕሊ ሓደ ሽሕ ከም ዝዀነ ይገልጽ። እቲ ማሕበር፡ ካብ 2021 ጀሚሩ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ኣምሓራ ዘነጻጸሩ 213 መጥቃዕታት ተፈጺሞም ኢሉ ይኣምን። “መብዛሕትኦም ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተፈጸሙ መጥቃዕታት ኰይኖም፡ ኣስታት 3308 ግዳያት ናይዚ ንብሄር ዝተኰረ መጥቃዕቲ ኰይኖም’ዮም። ካብዚኦም እቶም 124 ብቐጥታ ኦነግ ሸኔ ዝፈጸሞም’ዮም። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ተሳተፍቲ ኰይኖም’ዮም” ክብል ኣቶ ሆነ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ኣብዚ ግዜ፡ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኦሮሞ ዝዀኑ ሰላማውያን ሰባት ዝወርዱ መጥቃዕታት’ውን ኣለው’ዮም። መስራቲት ኣብ ኣሜሪካ ዝማእከሉ ጕጅለ ተሓላቒ መሰላት ኦሮሞ ዝዀነ ማሕበር ኣመራርሓ ውርሻ ኦሮሞ ሴና ጂምጂሞ፡ “ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ተወለድቲ ኦሮሞ ተቐቲሎም” ትብል። ቢቢሲ፡ ነዚኦም ብናጻ ኣካል ከረጋግጾም ኣይክኣለን። መንግስትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰልን እታ ሃገር’ውን፡ ብሰንኪ እዞም መጥቃዕታት ዘጋጠመ ቅትለት ዝምልከት ዝሃብዎ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን። ቢቢሲ፡ ክሳብ ሕጂ ምስ እዞም ቅትለታት ብዝተሓሓዝ ናብ ፍርዲ ዝቐረበ ኣካል ምህላው ዘረጋግጽ መረዳእታ ኣይረኸበን። ኣቢይ ኣሕመድ ንባይቶ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ምስቲ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘሎ ኵነታት ጸጥታ ብዝተሓሓዝ ኣሽሓት ኣባላት ሰልፊ ብልጽግና ካብ ኣባልነቶም ከም ዝተሰጐጉ ተዛሪቡ። ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ን30 ዓመታት ዝሰርሐ፡ ዓለምለኻዊ በዓል ሞያ ሕጊ ባይሳ፡ ብቐንዱ መንግስቲ ድሕነት ዜጋታት ናይ ምሕላው ሓላፍነት ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ሰብ መዚ ነቶም መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ዘለው ኣካላት ናብ ሕጊ ከቕርብዎም ከም ዘይክኣሉ ይገልጽ። በዚ መጥቃዕቲ፡ “ኣበየናይ ከባቢ ብዘየገድስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ይዅን ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ወይ ሓደ ዓመት፡ ዝተፈጸሙ ገበናት መንግስቲ ተሓታቲ’ዩ” ኢሉ። እቶም ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸሙ ዘለው ቅትለታት፡ “ብዘይ ጥርጥር ብሄር ተኰር’ዮም፤ እዚኦም ክኣ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም” ክብል ባይሳ ተዛሪቡ። ወሲኹ፡ “ኣብ ከም ቶሌ ወይ ጉሊሶ ዝበሉ ከባቢታት፡ ግዳያት ዝዀኑ ሰባት ብግልጺ ኣምሓሩ’ዮም፤ እዚኦም ብሰንኪ መንነቶም ግዳያት ኰይኖም’ዮም” ኢሉ። እዞም መጥቃዕታት እናወሰኹ ኣብ ዝኸዱሉ፡ ጕጅለታት ሰብኣዊ መሰላትን ተሓለቕትን ኣብታ ሃገር ተሓታትት ክረጋገጽ ጸዊዖም። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ በቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝፍጸሙ ዘለው መጥቃዕታት ከም ዝተሻቐለ ገሊጹ’ዩ። ኣደ መንበር ዓለምለኻዊ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ካሪ ቤቲ ሙሩንጊ፡ ዓለም ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጥም ዘሎ ኵነታት ዕሽሽ ክትብሎ ከም ዘይብላ ሓቢራ። “እቲ ዝቕጽል ዘሎ ጎንጺ፡ ብዘረባታት ጽልኣትን ብሄር ተኰር ከምኡ’ውን ጾታ መሰረት ዝገበሩ ዓመጻት ክበጽሑ ብዝገብሩ ጻውዒታት ዝተመልአ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባት ተወሳኺ ግፍዓዊ ገበናት ከይፍጸሙ ብኣጋ መጠንቀቕታ ዝህቡ’ዮም” ኢላ። ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተፈጸሙ ቅትለታት ምጽራይ ከም ዝጀመረ ገሊጹ። ክሳብ ሽዑ ግን፡ መሓመድን ካልኦት ፍትሒ ዝጽበዩ ዘለው ውጻእ መዓትን ግን፡ ፈጸምቲ'ዚ ገበናት ናብ ፍትሒ ዝቐርብሉ መዓልቲ ክጽበዩ እዮም። ኣቶ መሓመድ፡ ንብዓቱ ምቍጽጻር እናሰኣነ፡ “ኣእምሮይ ክሰርሕ ኣይክኣለን” ይብል።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ce5xlnrr243o"} {"headline":"ኲናት የክሬን፡ ገበን ኲናት እንታይ’ዩ? ፑቲንከ ብገበን ኲናት ክኽሰስ ይኽእል ዶ?","content":"ኣብ ቡቻ ዝተባህለት ከተማ ዩክሬን ኣብ ጐደናታት ወዲቝ ዝርአ ኣሳእል ኣስክሬናት ሰላማውያን ሰባት፡ ሓይልታት ሩስያ ገበን ኲናት ይፍጽሙ ኣለው ዝብል ሰፊሕ ኣህጕራዊ ኲነኔ ኣልዒሉ ኣሎ። ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት፡ ኣብ ዩክሬን ገበን ኲናት ተፈጺሙ'ዶ ዝብል ንክምርምሮ ድሮ መርትዖታት ዝእከብ ጕጅለ ኣቝሙ ነቲ መስርሕ ጀሚርዎ'ሎ። ንምዃኑ ገበን ኲናት እንታይ እዩ? ኣህጉራዊ ኮሜቴ ቀይሕ መስቀል፡ \"ኲናት ሕጊ ኣለዎ\" ኢሉ እዩ ዘቐምጥ። እዞም ሕግታት ከኣ ኣብ 'ውዕላት ጀኔቫ' ከምኡ'ውን ካልኦት ኣህጉራዊ ሕግታትን ስምምዓትን ዝተሓቝፉ እዮም። ኣብ ግዜ ኲናት፡ ሲቪል ብደይ መደይ ክጥቅዑ ኣይግባእን፣ ንናብራኦም ዘገልግል ትሕተ ቅርጺ'ውን ኣይትንከፍን። ጸረ-ሰብ ተፈንጀርቲ፡ ስነ ቐመማውን ስነ ሂወታውን ዝኣመሰሉ ገለ ኣጽዋራት፡ ኣብ ልዕሊ ሰባት ኣልማማ ዕንወትን ስቅያትን ስለ ዘውርዱ፡ ኣብ ኲናት ኣብ ጥቕሚ ከይውዕሉ ዝተኸልከሉ እዮም። ኣብ ኲናት ዝተሃረመን ዝቘሰለን፣ ወተሃደራት'ውን ከይተርፈ መሰል ምሩኽ ስለ ዘለዎም፡ ሕክምናዊ ክንክን ክረኽቡ ኣለዎም። ከም ቅትለል፡ ጾታዊ ዓመጽን ጃምላዊ ህልቂት ዝኣመሰለ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት ዝፍጸም ኣሰቃቂ መጥቃዕቲታት \"ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት\" ተባሂሉ ይግለጽ። ምጽናት እንታይ እዩ? ብመሰረት ዓንቀጽ ዓለምለኻዊ ሕጊ፡ ምጽናት ማለት ኮነ ተባሂሉ፡ ኣብ ልዕሊ ዝተወሰነ፡ ጕጅለ ብሄር፡ ዓሌት፡ ዘርኢ፡ ሃይማኖት ብምሉኡ ወይ ብኸፊል ንምጽናቱ ሓሊንካ ዝግበር ምቕታል ሰባት እዩ። በዚ መሰረት ጽንታ፡ ካብ ዘይሕጋዊ ቅትለት ሲቪል ሰባት ኣመና ዝዓበየ፡ ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ገበን ኲናት እዩ። ስለዚ፡ እቲ ሕጊ ንሃቐነ ምጽናት ዘርኢ ሓደ ጕጅለ ዘረጋግጽ ዕቱብ መርትዖ ይደሊ። ኣብ ዩክሬን ዘለው ክስታት ገበን ኲናት እንታይ እዮም? መርመርቲ ጕጅለን ጋዜጠኛታትን፡ ኣብ ከባቢ ኪቭ እትርከብ ከተማ ቡቻን ካልኦት ከባቢታትን፡ ኮነ ኢልካ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ቅትለት ከም እተፈጸመ ዘረድእ መርትዖ ረኺቦም ኣለው። ሓይልታት ዩክሬን ከም ዝገለጽዎ፡ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ተኣሲሮም ዝተረሸኑ ሲቪል ምዃኖም ዘረጋግጽ ብዝሒ መቓብር ረኺቦም። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ \"እዚ ሰብ'ዚ ኣረሜን እዩ\" ብምባል፡ ፕረዚደንት ፑቲን ብገበን ኲናት ክኽሰስ ጻውዒት ኣቕሪቡ'ሎ። ብተወሳኺ ባይደን፡ ፑቲን \"ገበነኛ ኲናት'ዩ\" ኢሉ'ዩ ዝኣምን። ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን፡ ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት መርትዖታት ገበን ኲናት እዮም ኢሉ። ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ ሩስያ [ኣብ ዩክረይን] \"መንበሪ ኣባይቲ፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ሆስፒታላት፡ ኣምቡላንሳት፡ ሲቪላዊ ትሕተ-ቕርጺ፡ መካይን ሲቪል፡ ማእከለት ዕዳጋ፡ ኣዕንያ እያ፡\" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። እዚ ተግባራት'ዚ ድማ ኣሜሪካ፡ መርኣያ ገበን ኲናት ምዃኑ እያ ትኣምን። ኣብ ፈለማ ዝሓለፈ ወርሒ፡ እቲ ሩስያ ኣብ ማሪያፖል ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ቲያትር ዝፈጸመቶ ደብዳብ፡ ሓደ ካብቲ ጃምላዊ ቅትለት ዝተፈጸመሉ ቦታ ኰይኑ ቀሪቡ'ሎ። ኣቐዲማ ዩክረይን፡ ነቲ ብሩስያ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሆስፒታል ማሪያፖል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፡ ገበን ኲናት ምዃኑ ገሊጻ ነይራ። ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ኣብ ከተማ ሃርኪቭ፡ ሲቪል ሰባት ዝቕመጡሉ ከባቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክላስተር ቦምብ 'ውን፡ ከም መርትዖ ይቐርብ ኣሎ። ሩስያ፡ ኣብ ከባቢኡ ዝጸንሐ ኵሉ ኦክሲጅን መጽዩ ዓቢይ ባዶሽ [ቫክዩም] ክፈጥር ዝኽእል 'ተርሞባሪክ' ዝተባህለ ተፈንጃሪ ትጥቀም ከም ዘላ ብሪጣንያ ትነግር። እዞም ተፈንጀርቲ ኣጽዋር ብርግጽ ውጕዛት ኣይኰኑን፣ እንተዀነ ኮነ ተባሂሉ ሲቪል ሰባት ብብዝሒ ኣብ ዝርከብዎ ምፍንጃሮም ንሕግታት ኲናት ዝጥሕስ እዩ። ንባዕሉ እቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ብዓቢኡ ገበን ምዃኑ እዮም ክኢላታት ዝምጕቱ። ኣብ እዋን ምብትታን ዩጐዝላቭያ ንዝተፈጸሙ ገበናት ክምርምር ዝቘመ መጋባእያ ሓዊሱ፡ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ገበናት ኲናት ዝምርምሩ ኣብያተ ፍርዲ ቈይሞም እዮም። እዚ ቤት ፍርዲ፡ ነቲ ኣብ ሩዋንዳ ኣብ 1994 ዝተኻየደ ጃምላዊ ጨፍጫፍ ዝፈጸሙ ገበነኛታት ፍርዲ ዝሃበ'ውን እዩ። ኣብዚ እዋን፡ ኣህጕራዊ ቤት ፍርዲ ገበንን ኣህጕራዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒን ንሓላፍነት ሕግታት ኲናት ሒዘን ዘለዋ ትካላት እየን። ኣህጕራዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ፡ ኣብ መንጐ ሃገራት ዝተፈጥረ ምስሕሓባት ዝርኢ ኣካል እዩ፤ ኣብ ውልቀሰባት ግን ኣየተኵርን። በዚ መሰረት፡ ዩክረይን ናብ ልዕሊ ሩስያ ኣብዚ ቤት ፍርዲ ክሲ መስሪታ'ላ። እዚ ኣህጕራዊ ቤት ፍርዲ ኣንጻር ሩስያ እንተኸሲሱ፡ ንግብራውነቱ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፍነት ክወስድ እዩ። እንተዀነ ሩስያ ሓንቲ ካብ ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ እያ፣ ዝዀነ ኣንጻራ ዝቐርብ እማመ ብዘለዋ መሰለ ቀውፊ ከተበርዕኖ ትኽእል እያ። ኣህጕራዊ ቤት ፍርዲ ገበን፡ ነቲ ኣብ 1945 ንመራሕቲ ናዚ ጀርመን ብይን ዝሃበ ቤት ፍርዲ ኑርምበርግ ስዒቡ ዝቘመ ኰይኑ፡ ኣብ ገበን ኲናት ዝተሳተፉ ውልቀሰባት ዝምርምር መጋባእያ እዩ። ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ዋና ዳኛ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን፡ ብሪጣንያዊ ካሪም ካሃን ከም ዝበሎ፡ ኣብ ዩክረይን ገበናት ኲናት ከም እተፈጸሙ ዘረድእ እኹል መርትዖታት ኣሎ። መርመርቲ፡ ሕሉፍን ህልውን ገበናት፣ ክሳብ ኣብ 2013 ቅድሚ'ቲ ሩስያ ንክረምያ ዝጐበጠትሉ ግዜ ዝተፈጸሙ ገበናት'ውን ክድህስሱ እዮም። መርትዖታት እንተተረኺቦም፡ ጥርጡራት ተታሒዞም ኣብ ቤት ፍርዲ -ሄግ ንኽቐርቡ ትእዛዝ ማእሰርቲ ክወሃብ መርመርቲ ንዳያኑ ክሓቱ እዮም። እንተዀነ ኣብ ባይታ ከጋጥሙ ዝኽእሉ መሰናኽላት ኣለው። እቲ ቤት ፍርዲ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓይሊ ፖሊስ የብሉን። ስለዚ፡ ጥርጡራት ንምሓዝ ኣብ ምትሕብባር ሃገራት እዩ ዝምርኮስ። ሩስያ፡ ኣብ 2016 ካብ ኣባልነት እዚ ቤት ፍርዲ ስሒባ እያ። ፑቲን ከኣ፡ ዝዀነ ጥርጡር ኣሕሊፉ ኣይክህብን እዩ። ፕረዚደንት ፑቲን፡ ጀነራላቱን ካልኦት መራሕትን ክኽሰሱ ይኽእሉ'ዶ? ገበን ኲናት ንኽፍጸም ትእዛዝ ካብ ዝሃበ መራሒ ዝያዳ፡ ነቲ ገበን ዝፈጸመ ወተሃደር ንምኽሳስ ይቐልል። ሁግ ዊልያምሰን ዝተባህለ ኣባል 'ሂዩማን ራይትስ ዎች' ከም ዝበሎ፡ ብወተሃደራት ሩስያ ዝተፈጸሙ ዘስካክሕ ግህሰት ዝረድኡ ጭብጥታት ብብዝሒ ኣለው። ንሱ ከም ዝበሎ፡ ነቲ \"ሰንሰለት እዚ\" ምርኣዩ ኣብ መጻኢ ንዝወሃብ ፍርዲ ወሳኒ እዩ። እዚ ኸኣ መራሕቲ ኣብ ዝተፈጸሙ ግፍዒታት ማዕረ ክንደይ ሓላፍነት ኣለዎም ንምርኣይ ይሕግዝ። ንሱ፡ [ንኣብነት] \"ኣብ ዩክረይን፡ ሓደ ኣዛዚ፡ ንወተሃደራቱ ንክልተ ሲቪል ሰባት ኣውጺኦም ክቐትልዎም ክእዝዝ እንከሎ ዝነግር ዝኣከብናዮ ኣገዳሲ ጸብጻብ ኣለና፡\" ክብል ከም ኣብነት ንቢቢሲ የረድእ። ኣህጕራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ብተወሳኺ፡ ክንዮ ርእሰ-ምክልኻል ንዝኸደ፡ ዘይምኽኑይ ወተሃደራዊ ወራር'ውን ክሲ ከቕርብ ይኽእል። ብሓሳብ ደረጃ፡ ባይቶ ጸጥታ፡ እዚ ጕዳይ ንኽምርመር ንኣህጕራዊ ቤት ፍርዲ ገበናት ክሓትት ይኽእል እዩ። እንተዀነ ነዚ'ውን ሩስያ ብዘለዋ መሰል ከተውድቘ ትኽእል እያ። ስለዚ ካልእ መገዲ ኣሎ'ዶ? ኣድማዕነት ኣህጕራዊ ትካላት ቤት ፍርዲን ኣህጕራዊ ሕግታትን፡ ኣብ ውዕላትን ስምምዓትን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ፖለቲካን ዲፕሎማሲን'ውን ዝተመርኰሰ እዩ። ነዚ ምርኵስ ገይሩ፡ ክኢላ ኣህጕራዊ ሕግታት ዝዀነ ፕሮፌሰር ፍሊፕ ሳንድስ፡ ኣብ ዩክረይን ዝተፈጸመ ገበናት ዝምርምር ሓደ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ክቐውም ንመራሕቲ ሃገራት ጻውዒት ኣቕሪቡ'ሎ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61006530"} {"headline":"ዓሌታዊ ዘይማዕርነት ኣብ ጥዕና ዘስዕቦ ሕቡእ ጽልዋ እንታይ'ዩ?","content":"እቲ ዛንታ ብዛዕባ ሰብ ኣንጻር ማሽን ዝገበሮ ቃልሲ እዩ ነይሩ። ኣብ 1800ታት ጸሊም ኣሜሪካዊ ሰራሕተኛ ባቡር ጆን ሄንሪ፡ ሓይሉ ክሳብ ንሞት ዝቃላዕ ጸንቂቝ ክጥቀም ዘገድድ ውድድር ኣጋጢምዎ። ሽዑ፡ ህንጸት መንገዲ ባቡር ቸሳፒክን ኦሃዮን ኣብ ጐድኒ ግሪንብሪየርን ኒው ሪቨርን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰራሕተኛታት ይቘጽር ነይሩ። ሰራሕተኛታት መገዲ ባቡር ብቐንዱ መጋሕፈል፡ ዓረብያ ኢድ፡ በቕሊ፡ ከምኡ'ውን ጸሊም ባሩድ ተጠቒሞም ኣኻውሕን ሓመድን ብምእላይ ነቲ መገዲ ባቡር የዳልዉ። ብመሰረት እቲ ኣፈ-ታሪኽ፡ ሄንሪ ሓደ ካብዞም ሰራሕተኛታት ባቡር ኰይኑ ስርሑ ንፍንጀራ ድሉው ዝዀኑ ብረታት ቀጥቂጡ ናብ ከውሒ ምእታው’ዩ ነይሩ። ሽዑ ብትሕቲ ጎቦ ዝሓልፍ መገዲ ንምስራሕ ሰራሕተኛታት ኣብ ቀጸላ ኣኻውሕ መዶሻን ሰርሳሪትን ተጠቒሞም ጉድጓድ ይዅዕቱ ነይሮም። ሓደ ሰራሕተኛ ነቲ ከውሒ ብመዶሻ ብዝተኻእሎ መጠን ኣበርቲዑ እናሃረመ እታ ሰርሳሪት ናብቲ ከውሒ ክትኣቱ ይገብር። ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ማህረምቲ ነቲ ከውሒ ቅሩብ ይግልብጦን ሓመድ ካብቲ ጉድጓድ ንምውጻእ ይንቐንቘን። ድሕሪኡ፡ እቶም ጉድጓዳት ብባሩድ ተመሊኦም ይፍንጀሩ እሞ፡ እቲ ከውሒ ናብ ንኣሽቱ ኣኻውሕ ይሰባበር። በዚ መስርሕ ዓበይቲ ኣኻውሕ ካብቲ ትሕቲ መሬት ክወጹ ይገብር ነይሩ። ከምቲ ዛንታ ጆን ሄንሪ ዝሕብሮ፡ እቲ ኩባንያ ባቡር፡ ነቲ ስራሕ ንምቅልጣፍ፡ ካብ ዝዀነ ሰብ ንላዕሊ ብቕልጡፍ ክኹዕት ዝኽእል ብሃፋ ዝሰርሕ ሰርሳሪ ማሽን ኣምጺኡ። እዚ ማሽን ውሑድ ጻዕሪ ዝሓትት ግን ንመነባብሮ እቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ሓደጋ ዘእተወን ነይሩ። ጆን ሄንሪ ካብቶም ኣብ መንገዲ ባቡር ዝሰርሑ ዝሓየለን ዝቐልጠፈን ሰብ ተባሂሉ እዩ ዝፍለጥ ነይሩ። ንሱ፡ ካብቲ ማሽን ንላዕሊ ብዝቐልጠፈ ክዅዕት ከም ዝኽእል ንምርግጋጽ ኣንጻር እቲ ማሽን ክወዳደር ጀሚሩ። ክልተ 10 ፓውንድ ዝምዘን መዶሻታት ብክልተ ኢዱ ተጠቒሙ፡ ነታ ሰርሳሪት ኣዝዩ ብቕልጡፍን ኣዝዩ ኣበርቲዑን እናሃረመ፡ ልዕሊ 4 ሜትሮ ዝንውሓቱ ጉድጓድ ኵዒቱ። እቲ ማሽን 2.7 ሜተር ጥራይ ከምዝዃዓተ ይንገር። ኣንጻር ኵሉ ዕድላት፡ ጆን ሄንሪ፡ ዘለዎ ሓይሊ ጸንቂቑ ነቲ ማሽን ረቲዕዎ'ኳ እንተዀነ ድሒሩ ግን ብድኻም ሞይቱ። ዛንታ ጆን ሄንሪ ኣርእስቲ ብዙሓት ህዝባዊ ደርፊታት፡ ዛንታታት፡ ተዋስኦታት፡ መጻሕፍትን ፊልምታትን ከምኡ’ውን ሳይንሳዊ ጽንሰ-ሓሳብ ወይ ግምት ኰይኑ እዩ። ኣብ 1970ታት፡ እቲ ሕጂ ኣብ ሰሜን ካሮላይና ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ዱክ ዝሰርሕ ክኢላ ስነ-ሕማም ለበዳ (epidemiologist) ሼርማን ጄምስ፡ ጥዕና ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ዝምልከት ዘጨንቕ ነገር ኣስተብሂሉ። ህይወቱ ብዘደንቕ መገዲ ዛንታ ጆን ሄንሪ ዘቃልሕ ሓደ ሰብኣይ ምስ ረኸበ’ዩ ዝጅምር። ብሓቂ እቲ ሰብኣይ እንተላይ ስሙ ከም ስም እቲ ሰራሕተኛ ባቡር ነይሩ። እቲ ሰብኣይ ጸሊም ሓረስታይ ኰይኑ ጆን ሄንሪ ማርቲን ይበሃል። ንሱ’ውን ኣንጻር ሓደ “ማሽን” ኣብ ዘይምዕሩይ ቃልሲ ተሳቲፉ ነይሩ። እቲ “ማሽን” ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ኣብ ገጠራት ደቡባዊ ኣሜሪካ ዝነበረ ዘይማዕርነት እዩ። ካብ ድኻ ወለዲ ዝተወልደ ጆን ሄንሪ ማርቲን ድሕሪ ካልኣይ ክፍሊ ትምህርቲ ኣቋሪጹ። ንነብሱ ምንባብን ምጽሓፍን ምሂሩ፡ ዕድመኡ 40 ምስ በጽሐ ድማ ኣብ ሰሜን ካሮላይና ልዕሊ 30 ሄክታር መሬት ክውንን ክኢሉ። ንሕርሻኡ ዝተለቅሖ ዕዳ ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ጥራይ ንምኽፋል ወሲኑ ስለ ዝነበረ፡ ለይትን መዓልትን ይሰርሕ ነይሩ። እቲ ዅሉ ጻዕሪ ግን ዋጋ ዘየኽፈለ ኣይነበረን። ማርቲን ኣብ 50ታት ዕድሚኡ ብሕማም ልዑል ጸቕጢ ደም፡ ቅርጥማት ወይ ሪሕን ነድሪ ከስዐን ይሳቐ ነይሩ። ብርግጽ ኣዝዩ ከቢድ ነድሪ ከስዐ ስለ ዝሓመመ፡ 40 ሚእታዊ ከብዱ ክእለ ግድን ነይሩ። “ዛንታኡ ንዛንታ 'ቲ ጆን ሄንሪ ዝበሃል ሰራሕተኛ ባቡር ዘቃልሕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንተመኵሮ ህይወት ብዙሓት ሰራሕተኛታት ኣፍሪቃውያን ኣሜሪካውያን ዘቃልሕ’ዩ” ክብል ሼርማን ጀምስ ንፖድካስት ሶሻል ሳይንስ ባይትስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ይሕብር። ‘ጆን ሄንሪዝም’፡ ምስ ዘይምዕሩይነት፡ ፋይናንሳዊ ጸገምን ዓሌታዊ ኣድልዎን ተቓሊስካ ምስሳን ዘስዕቦ ሃሳዪ ጽልዋ ጥዕና የመልክት። እዚ ጽንሰ-ሓሳብ፡ ኣብ ውሽጢ ትሑት ማሕበረ-ቁጠባዊ ጸጋታት ኰይኖም ስነ-ኣእምሮኣዊ ማሕበራዊ ጸቕጢ ብንጥፈት ዝጻወሩ ውልቀሰባት፡ ካብቶም ዝዓበየ ማሕበረ-ቁጠባዊ ጸጋታት ዘለዎም ዝለዓለ ደረጃ ጸቕጢ ደም ከጋጥሞም ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ ይገልጽ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ፡ ጆን ሄንሪዝም ኣብ ዝተፈላለዩ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ማሕበረሰባት፡ ከምኡ’ውን ብዓለም ደረጃ ኣብ ፊንላንድ፡ ሆላንድን ብራዚልን ኣጋጢሙ’ዩ። ኣብ መንጎ ካልኦት ውሑዳት ህዝቢታት ዘሎ መርትዖታት ዝተሓዋወሰ እዩ። ኣብ 2006 ዝተገብረ ሓደ መጽናዕቲ፡ ኣብቶም ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ብተዛማዲ ሃብታማት ህንዳውያንን ቻይናውያንን ስደተኛታት እቲ ጽልዋ ኣይተረኣየን። እንተዀነ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ ካልእ መጽናዕቲ ኣብ ዲትሮይት ኣብ ዝርከቡ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ማሕበረሰባት ላቲኖ ተራእዩ እዩ። ጆን ሄንሪዝም ብፍላይ ምስቲ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዘይተመጣጠነ ቍጽሪ ጸለምቲ ውልቀሰባት ዝቐተለ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ምትእስሳር ክህልዎ ይኽእል እዩ። እቲ ኵነታት ንምርዳእ እኹል’ኳ እንተዘይኰነ፡ እቲ ጽንሰ-ሓሳብ ዘቐምጦም ጽልዋታት ኵነታት ልብን ልዑል ጸቕጢ ደምን፡ ሓደጋ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ክውስኽ ክገብር ይኽእል። ከምቲ ጀምስ ሼርማን ዝገልጾ፡ ዓወት እቲ ሰራሕተኛ ባቡር ጆን ሄንሪን ዓወት እቲ ሓረስታይ ጆን ሄንሪ ማርቲንን፡ ውልቀሰባት ነቶም ጸገማት ክሰግርዎም ከም ዝኽእሉ’ዩ ዝሕብር፡ ግን ከኣ “ብዘይ ቃልሲ ኣይኰነን፡ ብዘይ ዋጋ’ውን ኣይኰነን።”","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw87q19q1jdo"} {"headline":"ቻይናዊ ዝዘርግሖ ንጸለምቲ ዘናሸወ ቪድዮ እንታይ'ዩ?","content":"ኣብ ማላዊ ኣብ ሓደ ገጠር: ሓደ ቻይናዊ ንቆልዑት ኣኪቡ ብቋንቋ ቻይና \"ኣነ ጸሊም ጋኔን እየ፡ ናይ ምሕሳብ ዓቕመይ ድማ ድኹም'ዩ\" ኢሉ እንዳተዛረበ እንከሎ፡ ስኢሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስሓተሞ፡ ብዙሓት ተቖጢዖም። ኣፍሪካ ኣይ ብዛዕባ እቶም ቪድዮታት መርመራ ሰሪሕሎም'ሎ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cqvl3jlj15xo"} {"headline":"ኒውዮርክ፡ ቀታሊ፡ ኰነ ኢሉ ንጸለምቲ ከም ዝሃደነ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኒውዮርክ ከተማ ቡፋሎ ኣብ ዝርከብ ሓደ ሱፐር ማርኬት፡ ጥይት ተኲሱ ዓሰርተ ሰባት ዝቐተለ ጥርጡር፡ ዝበዝሑ ጸለምቲ ኣብ ዝርከብሉ ቦታ ኮነ ኢሉ ዝፈጸሞ ምዃኑ ሰብ መዚ ገሊጾም። ወዲ 18 ዓመት ጥርጡር ፓይቶን ጌንድሮን ነዚ መጥቃዕቲ ንምፍጻም 320 ኪሎ ሜትሮ ተጓዒዙ ከም ዝመጽአ ፖሊስ ሓቢሩ። ፖሊስ፡ ነቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ዓሌት ዝተመስረተ ኣኽራሪ መጥቃዕቲ ብዝብል ብገበን ይምርምሮ ኣሎ። ከንቲባ ከተማ ቡፋሎ ቢርዮን ብራውን እቲ ጥርጡር \"ክንዲ ዝኽኣሎ መጠን፡ ህይወት ብዙሓት ጸለምቲ ከጥፍእ\" መጺኡ ክብል ከሲሱ። እንተዀነ፡ ኣብ ራዳር ሰብ መዚ እናሃለወ እዚ መጥቃዕቲ ብኸመይ ክፍጽሞ ክኢሉ ዝብል ሕቶ ብሰፊሑ ይልዓል ኣሎ። ጌንድሮን፡ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝመሃረሉ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ መጥቃዕቲ ክፍጽም'የ ዝብል ምፍርራሕ ገይሩ ምንባሩ ሰብ መዚ ምኽባር ሕጊ ንኣሶሽየትድ ፕረስ ተዛሪቦም። ድሕሪኡ ሕክምና ኣእምሮ ከም ዝተገብረሉ ተገሊጹ። ንርእሱ፡ ፋሺሽትን ልዕልነት ጸዓዱ ዘለዎን ምዃኑ ዝገለጸሉ በዓል 180 ገጽ ሰነድ ድማ ተረኺቡ ኣሎ። ፖሊስ፡ እቲ ጥርጡር ኣብቲ ከባቢ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍጻሙ፡ \"ዳህሳስ\" ገይሩ ከም ዝነበረ ሓቢሩ። ዓቃቢት ሕጊ ኒውዮርክ ላቲሺያ ጄምስ፡ \"እዚ ክስተት፡ ጽልኢ መዓልታዊ ቀለቡ ብዝዀነ ሓደ ጽሉል ውልቀሰብ'ዩ ተፈጺሙ፡\" ኢላ። ካብቶም ኣብቲ ብቐዳም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ጉድኣት ዝወረዶም 13 ሰባት፡ እቶም 11 ጸለምቲ ከም ዝዀኑ ፖሊስ ክገልጽ እንከሎ፡ ዋርድያ እቲ ሱፐር ማርኬት ኣብ ልዕሊ እቲ ጥርጡር ክትኩስ'ኳ እንተፈተነ፡ በቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝተቐትሉ ሰባት ሓደ ኰይኑ ኣሎ። እቲ መጥቃዕቲ ክፍጽም እንከሎ ብኢንተርነት ብቐጥታ ንምትሕልላፍ ድማ ካሜራ ተጠቒሙ ነይሩ። እቲ ውልቀሰብ ብገበን ቀዳማይ ደረጃ ቅትለት ከም ዝተኸሰሰን፡ ተወሰኽቲ ክስታት ክቐርብሉ ከም ዝኽእሉን ድማ ሰብ ሞያ ሕጊ ገሊጾም። እዚ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብታ ሃገር ኣብዚ ዓመት ካብ ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲ እቲ ዝኸፍአ ከም ዝዀነ ይግለጽ ኣሎ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ዘይመልእ ኣብ ደቡባዊ ካሊፎርኒያ'ውን፡ ኣብ ኦርጋን ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሓደ ሰብ ከም ዝሞተን ሓሙሽተ ከም ዝቘሰሉን ተገሊጹ። በዚ፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 60ታት ዝርከብ ሰብኣይ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ምምሕዳር ከባቢ ሓቢሩ። ኣብ ኣመሪካ፡ ብብረት ብዝፍጸሙ መጥቃዕቲታት [ነብሰ ቕትለትን ኣብ ልዕሊ እኩብ ሰባት ዝፍጸሙን ወሲኽካ] ኣብ ዓመት 40 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ጸብጻባት የመልክቱ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61461906"} {"headline":"ኣብ ኒውዮርክ፡ ኣብ ሓደ ሱፐርማርኬት ብዝተፈጸመ 'ዓሌታዊ' ዝተባህለ መጥቃዕቲ ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ኒውዮርክ፡ ኣብ ሓደ ሱፐር ማርኬት ብዝተኸፍተ ተዅሲ ዓሰርተ ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ እቲ መጥቃዕቲ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ገበን ጽልኣት'ዩ ክብል ፖሊስ መርመራ ከም ዝጀመረ ተገሊጹ። እቲ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ዝተባህለ ወዲ 18 ዓመት መንእሰይ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ ኣሎ፤ ፖሊስ ግን መንነት'ቲ ውልቀሰብ ወግዓዊ ኣይገበረን። እቲ ጥርጡር ብቐዳም ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ናብቲ ጻዕቂ ተገልገልቲ ዝነበሮ ማእከል ዕዳጋ ምስ ኣተወ'ዩ ተዅሲ ከፊቱ። እቲ መጥቃዕቲ ክፍጽም እንከሎ ብኢንተርነት ብቐጥታ ንምትሕልላፍ ድማ ካሜራ ከም ዝተጠቕመ ፖሊስ ገሊጹ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነቲ መጥቃዕቲ \"ፉንፉን\" ብምባል ኮኒንዎ'ሎ። ኤፍቢኣይ ብወገኑ እቲ መጥቃዕቲ፡ \"ናዕባዊ ኣኽራርነት\" ክብል ገሊጹዎ። \"እዚ መጥቃዕቲ ገበን ጽልኣትን ኣብ ልዕሊ ዓሌት ዝተመስረተ ኣኽራርነትን'ዩ ብዝብል ንምርምሮ ኣለና፡\" ብምባል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኤፍቢኣይ ቡፋሎ እስቲፋኖ ቤሌንግያ ተዛሪቡ። እቲ ጥርጡር ኣብታ ከተማ ጸለምቲ ብብዝሒ ናብ ዝርከብሉ ከባቢ ንምብጻሕ፡ ነዊሕ ሰዓታት መኪና ከም ዝዘወረ ተሓቢሩ። ኮሚሽነር ፖሊስ ቡፋሎ ጆሴፍ ግራማሊያ 13 ሰባት ብጥይት ከም ዝተሃረሙን መብዛሕትኦም ጸለምቲ ከም ዝዀኑን ሓቢሩ። እቲ ኮሚሽነር ንሲቢኤስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ \"ብግቡእ ዓጢቝ ነይሩ፤ ዕጥቂ መከላኸሊ ሰብነት፡ መከላኸሊ ርእሲ - ሀልመትን'ውን ነይርዎ። እቲ ዝገብሮ ዝነበረ ብቐጥታ ንምርኣይ ድማ ካሜራ ሒዙ ነይሩ፡\" ኢሉ። ኣብቲ ማእከል ዕዳጋ ዝሰርሑን በቲ መጥቃዕቲ ሓደጋ ዝወረዶም ሰለስተ ሰባት ድማ፡ ንህይወቶም ዘስግእ ጉድኣት ከም ዘይብሎም ተገሊጹ። ዋርድያ እቲ ሱፐር ማርኬት ኣብ ልዕሊ እቲ ጥርጡር ክትኩስ'ኳ እንተፈተነ፡ በቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝተቐትሉ ሰባት ሓደ ኰይኑ ኣሎ። እቲ ውልቀሰብ ብገበን ቀዳማይ ደረጃ ቅትለት ከም ዝተኸሰሰን፡ ተወሰኽቲ ክስታት ክቐርብሉ ከም ዝኽእሉን ድማ ሰብ ሞያ ሕጊ ገሊጾም። ከንቲባ ቡፋሎ ቢሮን ብራውን፡ \"እዚ ዝዀነ ሕብረተሰብ ከጋጥሞ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ዝኸፍአ ሓደጋ'ዩ፣ ኵላትና ተጐዲእና ኢና። እንተዀነ እዚ ጽልኣት ዘለዎ ውልቀሰብ ንሕብረተሰብናን ሃገርናን ክኸፋፍል ኣይኽአልን፡\" ክብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61454750"} {"headline":"ኣቦኣ ብምሕያሩ-ንሳ ሕጊ ከተጽንዕ ከይዳ","content":"ቴና ብሪስኮ፡ ካብ ቤት ትምህርቲ ሕጊ ቅድሚ ምምራቓ፡ ኣቦኣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሑ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ክትቕበሎ ምስ ከደት እያ ንፈለማ እዋን ርእያቶ። በርናርድ ብሪስኮ፡ ኮኬይን ብምሻጥ ብገበን ተኸሲሱ ብ2001 ኣብ ቀይዲ ምስ ኣተወ፡ ን20 ዓመታት ተፈሪዱ። ሽዑ ጓሉ፡ ጓል ኣርባዕተ ዓመት እያ ነይራ። ብሪስኮ፡ ሕጂ ወዲ 53 ዓመት'ዩ። ብመሰረት እቲ ብ1994 ኣብ ኣመሪካ ዝተኣታተወ ፖሊሲ፡ ኣብ ዝደጋገም ገበናት ደያኑ ናይ ዕድመ-ልክዕ ፍርዲ ክህቡ ስልጣን ዝህብ \"three-strikes law\" ዝፍለጥ ሕጊ መሰረት፡ ነዊሕ ፍርዲ እዩ ተዋሂብዎ። እዚ፡ ብ2018 ብደረጃ ሃገር ክቕየር እንከሎ፡ ብዙሓት ግዝኣታት ኣመሪካ ግን ክሳዕ ሕጂ ይጥቀማሉ ኣለዋ። ቅድሚኡ'ውን ምስ ሓሽሽ ዝተኣሳሰሩ ገበናት ስለ ዝነበርዎ፡ ብሪስኮ፡ ዕድመ ልክዕ ብተወሳኺ 240 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪድዎ። ስለዝዀነ ኣቦኣ፡ \"ብቐጥታ ኣብ ኢንዲያና ናብ ዝርከብ ብሉጽ መሳለጥያታት ናብ ዘለዎ ቤት ማእሰርቲ\" ከም ዝተወስደ ጓል 24 ዓመት ቴሳ ተዘክሮኣ ትገልጽ። እዚ ኣብ ልዕሊ ኣቦኣ ዝተዋህበ ከቢድ ፍርዲ'ዩ እምበኣር ብገለ ሸነኹ ሕጊ ከተጽንዕ ደሪኽዋ። ኣብ ቀረባ ግዜ ኸኣ እቲ ምስኡ ዝጸንበለቶ ስርዓተ ምረቓኣ [ብዓውደ-ሕጊ] ስምዒት ንቡርነት ከም ዝፈጠረላ ትገልጽ። \"ንመጀመርታ ግዜ ኣቦይ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተቐበልኩሉ ግዜ'ዩ፣ ንሱ'ውን ንመጀመርታ ግዜ እዩ፡ ጓሉ ኣብ እትዝውራ መኪና ተሰቒሉ፣ በዚ ኸኣ ምስጋናይ ልዑል'ዩ፡\" ኢላ። መመረቕታ ውላድ፡ \"ኣቦ ፈጺሙ ክርስዖ ዘይክእል\" ኣጋጣሚ ከም ዝዀነ ብሪስኮ ይዛረብ። ቴና፡ ኣቦኣ ክእሰር እንከሎ ህጻን ስለ ዝነበረት፡ \"ናጻ ኰይኑ'ውን ኣይትዝክሮን።\" ስድራኣ ግን ናበይ ከም ዝተወስደ ካብ ሽዑ ኣትሒዞም ይፈልጡ ነይሮም። ኣደኣ ድማ፡ ኣቦን ጓልን በብግዜኡ ከም ዝራኸቡ ምግባር ናተይ ኢላ ሒዛቶ ስለ ዝነበረት፡ ካብ ምብጻሕ በዂሮም ኣይፈልጡን። \"ወትሩ ይጽሕፈሉ ነይረ፣ ኣደይ ድማ ቴሌፎን ክድውል እንከሎ ተልዕሎ፣ ናብኡ ንልእኮም ዝነበርና ወረቓቕቲ ኵሎም ይበጽሑዎ ነይሮም፡\" ትብል። ይዅን'ምበር፡ ቈልዓ እንከላ፡ ኣቦኣ ኣበይ ከም ዘሎ ብዙሕ ኣይትዛረብን ነይራ። \"ሰርሓተኛ ህንጻ እዩ ኢለ ክዛረብ እዝክር። እዚ ንሰባት ክሕስዎም ኢለ ዝኸድክዎ መገዲ ስለ ዝዀነ ብጣዕሚ'ዩ ዘሕፍር። እዚ ኸኣ ሰባት ነጸብራቕ መንነተይ ገይሮም ክርእዩዎ ይኽእሉ'ዮም፡\" ትብል። ተማሃሪት ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ምስ ኰነት ግን፡ ኣረኣእያኣ ተቐይሩ፤ ብዛዕባ ማእሰርቲ ኣቦኣ፡ \"ፍትሓዊ ኣይኰነን፡\" ኢላ ዝሓሰበቶ ክትግንዘብን ታሪኹ ክተካፍል \"ክትህንጠ\" ጀሚራ። ኣብቲ ግዜ፡ ብ2012 ኣብ ኣሜሪካ ብጉዳይ ትራቮን ማርቲን ብዙሕ ይዝረብ ነይሩ፤ እዚ ዝዀነ ዓይነት ዕጥቂ ዘይሓዘ ኮተቴ ብጥይት ተሃሪሙ ሞይቱ። እዚ፡ ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ዘሎ ዓሌታውነት ሓያል ክትዕ ኣልዒሉ ነይሩ። ቴና ብሪስኮ ድማ፡ \"ከም ትግባረ ሕጊ፡ ስርዓት ፍትሕን ስርዓተ ቤት ፍርድን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ነገራት ብኸመይ ንሓድሕዶም ከም ዝተኣሳሰሩ\" ንኽትርኢ ስለ ዘኽኣላ፡ ብዛዕባኡ ዝያዳ ክትመሃር ጥሙሕ ከም ዝሓደራ ትዛረብ። 'ሃገራዊ ማሕበር ምዕባለ ዘይጽዓዱ ህዝብታት'፡ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ሓሙሽተ ዕጽፊ ጸዓዱ ኣሜሪካውያን ከም ዝሕየሩ የረድእ። ኣብ ካሊፎርኒያ ዝተረኽበ መረዳእታ'ውን፡ ኣብታ ግዝኣት ጸለምቲ ካብቶም ጸዓዱ ብዝተፈለየ ብሕጊ 'three-strikes' 12 ግዜ ከም ዝእሰሩ የመልክት። እዚ ዘይምዕሩይነት፡ ብዛዕባ \"ዕረያ ፍትሓዊ ኣወሃህባ ፍርዲ\" ክግበር ድልየት ከም ዘሕደረላ እትገልጽ ቴና፡ \"ናይ ኣቦይ ዝተፈለየ ኣይኰነን፤ ካልኦት ብዙሓት'ውን ኣብ ተመሳሳሊ ኵነታት ኣለው፡\" ትብል። ኣብ መወዳእታ ካብ ዩኒቨርሰቲ ሃዋርድ - ብታሪኽ ኣብ ዋሽንግተን ፍሉጥ ኮሌጅ ጸለምቲ ከም ዝዀነ ዝንገረሉ- ብሕጊ ክትምረቕ እንከላ፡ ኣቦኣ ምስኣ ክጽንብል በቒዑ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ካብ ዝእሰር 20 ዓመት ክመልኦ እንከሎ ፈደራላዊ ኣገልግሎት ምክልኻል ዊስኮንሲን፡ ብሪስኮ ንኽፍታሕ እማመ ኣቕሪቡ። ኣብቲ ሽዑ እዋን፡ ሞዴል ተሃዳስን ኣቦን ተባሂሉ ከም ዝተናእደ ጓሉ ትዛረብ። ኣብ ማእሰርቲ ኣብ ዝጸንሓሎም ዓመታት፡ ብኣማኢት ሞያ ፕሮግራማት ሰልጢኑን ትምህርቲ ቀሲሙን'ዩ። እቲ ብ2001 ክእሰር ዝፈረደሉ ዳኛ፡ ድሕሪ 20 ዓመት ንኽፍታሕ ፍርዱ ሂቡ። \"ኣብ ህይወተይ ምትዕርራይ ገይረ፣ ካልኦት መንእሰያት ኣብቲ ኣነን ካልኦት ከማይ ዝኣመሰሉን ዝፈጸምናዮ ጌጋታት ንኸይወድቁ ክከላኸል ጻዕሪ ክገብር ኣለኒ ኣብ ዝብል ዝተፈለየ መገዲ'የ ነይረ፡\" ይብል ብሪስኮ። ጓሉ ድማ፡ ሕጂ ኣብ ዋሽንግተን ምስ ዝርከብ ትካል ሕጊ ስራሕ ረኺባ ኣላ። ሰባት ብዘይፍትሓዊ ፍርዲ ንኸይእሰሩ ኣብ ምቅላስ ክትሕግዝ ከም እትደሊ'ውን ገሊጻ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61461907"} {"headline":"ብሰንኪ ዓሌታዊ ግጭት ብዘይሰብ ዝተረፈት ቁሸት","content":"ካብ ርሑቕ ክትረአ እንከላ፡ ንናብራ እትምቹእ ጽብቕቲ ቝሸት እያ ትመስል። ኣብ ሓደ ከባቢ እክብ ኢሎም ዝተሃንጹ ገዛውቲ ይረኣዩላ። ቅርብ ኢልካ ክትሪኣ ከለኻ ግን እታ ቝሸት ዝተሸጐሩ ኣፍደገታት፡ ዘይተሓርሱ ግራውቲ፡ ዘይተዓጸደ ተኽሊ ጫትን ንሓጹር ዝተተኽሉ ኣግራብን መሊኣ ኣላ። ዝዀነ ድምጺ ሰብ ዘይስምዓላ፣ ከብቲ'ውን ዘይብላ እያ። እታ ቝሸት ካብ ርሑቕ እንክትርአ፡ ሰባት መዓልታዊ ህይወቶም ዝመርሑላ ዓዲ እያ ትመስል፤ ጽግዕ ኢሉ ንዝርእያ ግን ዑና እያ። ምኽንያቱ ነበርታ ንነብሶም ካብ ግጭት ከድሕኑ ሃዲሞም’ዮም። ኣብታ ቝሸት ‘እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ?’ ክትፈልጥ እንተደሊኻ'ውን መሰኻኽር ዓይኒ ክትረክብ ኣጸጋሚ እዩ። እቲ ግጭት እናተጋደደ ምስ ከደ ነበርቲ ጥራሕ ዘይኮኑ ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ'ውን ሃዲሞም’ዮም። ሃሮቦታ እያ ትበሃል። ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኬንያ ግዝኣት መርሳቤት ካብ ከተማ መርሳቤት ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ትርከብ። እታ ቝሸት ንኬንያ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳውብን ናብ ሞያሌ ዝወስድን መገዲ ናብ ከተማ መርሳቤት ኣስታት ክልተ ኪሎሜትር ጥራይ ኣብ ዝተርፎ ርሕቐት ትርከብ። ኣብታ ቝሸት ዝፈሰሰ ደም ኣይነበረን። ንብረት ግን ዓንዩ’ሎ። ኣብቲ ግጭት ዝተቐትለ ሰብ’ኳ እንተዘይሃለወ ንብዓት ኣደታት ግን ፈሲሱ’ዩ። ኣብ መንጎ ቀቢላታት ቦረናን ገብራን ንዝተፈጠረ ጎንጺ ስዒቡ እቶም ደቂ ዓዲ ምሉእ ብሙሉእ ቁሸቶም ገዲፎም ሃዲሞም። ንኣዋርሕ ንቝሸቶም ገዲፎም ካብ ዝሃደሙ ነበርቲ ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ ሰባት ጥራይ እዮም ተመሊሶም። ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ቁሸቶም ካብ ዝተመልሱ ሒደት ነበርቲ ሓንቲ ዝዀና ወይዘሮ ናዎ ኢሳቆ \"ኣብዚ ከባቢ እየ ዝነብር ነይረ። እቲ ዝተፈጠረ ግጭት እዩ ካብ ዓደይ ክወጽእ ገይሩኒ” ይብላ። ኣደ 11 ቈልዑ ወይዘሮ ናዎ፡ ናብ ካልእ ዓዲ ከይደን’የን ኣዕቊበን ጸኒሐን። ክራይ ገዛ ምስወሰኸን ናብራ ምስ ከበደንን ዋላ’ኳ ሓደጋ እቲ ግጭት ኣንጠጥዩ እንተሃለወ ብድፍረት ናብታ ቁሸተን ተመሊሰን ኣለዋ። “ብሰላም ኣብ እንነብረሉ ዝነበርና እዋን፡ ግጭት ምስ ተፈጥረ ኢና ሃዲምና። ሃለኬ ዋቆ ኣብ እትበሃል ዓዲ ገዛውቲ ከቃጽሉ ከለዉ፤ ኣብ ቁሸት ዳባ እውን ንብረት ገዛውትን ንብረትን ከቃፅሉ ምስረኣና ህይወትና ክነድሕን ሃዲምና\" ይብላ እተን ኣደ። ሎሚ ድሕሪ ምምላሰን እውን እንተዀነ ስግኣት ኣብ ውሽጠን ኣሎ። “ካብ መሬትና ክንወጽእ ኣይንደልን፤ እቲ ስግኣት ግን ኣይገደፈናን። ጐረባብትና ኵሎም ስለዘይተመልሱ ንፈርሕ ኣለና። ኣብዛ ህሞት እዚኣ ኣብ ስግኣት እየ ዘለኹ” ክብላ ይዛረባ። ምርጫ ኬንያ ተስፋ ጥራይ ዘይኮነስ ህውከት ሒዙ ከይመጽእ እውን ተሰጊኡ’ሎ። ኣይተ ሄኖክ ከሎ ኣመሓዳሪ ጂሪሚ ዝበሃል ከባቢ እዩ። ቁሸት ሃሮቦታ’ውን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሩ ትርከብ። ኣብ ሓምለ 2021 ኣብቲ ከባቢ ግጭት ከም ዝተወልዐ ይዝክር። ብቐረባ ኣብ ዘላ ሓንቲ ዓዲ፡ ብሰንኪ'ቲ ሽዑ ዝተፈጥረ ኵነታት ተመሃሮ ከምዝተቐትሉ ወሲኹ ይዛረብ። “ክልተ መንእሰያትን ሓንቲ ናብ ቤት ትምህርቲ ትኸይድ ዝነበረት ጓልን ተቐቲሎም። ብድሕሪኡ እቲ ግጥት ተላዒሉ። ኣብ ቁሸት ሁላዳባ ገዛውቲ ምስ ተቓጸሉ፡ ኣብ ግራውቲ፡ መንበሪ ኣባይትን ጐደናታትን’ውን ሰባት ተቐቲሎም። እቲ ጎንፂ እናሰፍሐ ምስከደ ድማ ኣነ’ውን ሃዲመ ናብ ከተማ ኣትየ” ክብል እቲ ኣመሓዳሪ ነቲ ዝነበረ ኵነታት የዘንቱ። ነበርቲ፡ ብሰንኪ እቲ ግጭት ንብረት እንተዓነወ’ውን፡ ህይወት ሰባት ብዘይምጥፍኡ ግን ሕጕሳት እዮም። እቶም ደቂ ዓዲ ካብ ሞት ተሪፎም፤ ግን ድማ ንብረቶም ብዕጡቓት ተዘሚቱ። ወይዘሮ ናዎ \"ካልእ እዋን ተመሊሶም ብምምጻእ 21 ኣጣል ወሲዶምለይ\" ይብላ። ንሰን ናብ ቁሸተን ክምለሳ'ኳ እንተወሰና ዓሰርተ ሓደ ደቀን ግን ከምዘይተመለሱ ንቢቢሲ ተዛሪበን። ኣመሓዳሪ እቲ ከባቢ ኣቶ ሄኖክ ከሎ፡ \"ኣብ ከባቢ ሃሮቦታ ካብ 60 ክሳብ 70 ስድራቤታት ይነብሩ ነይሮም። ዝተመለሱ ግን ሽዱሽተ ጥራይ እዮም\" ክብል ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ። መንግስቲ ኬንያ ነቲ ኣብ መርሳቤት ዝተወለዐ ግጭትን ቅትለት ሰላማውያን ሰባትን ንምቍጽጻር ኣብ ወርሒ ግንቦት ሰዓት እቶ እቶ ከምዝኣወጀ ይዝከር። ብምኽንያት እቲ ኣዋጅ ድማ ነበርቲ ድሕሪ ሰዓት 12፡00 ኣጋምሸት [06፡00] ክንቀሳቐሱ ኣይክእሉን። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ ነቲ ሰዓት እቶ እቶ ስዒቡ ዋላ'ኳ ሰላም ናብቲ ከባቢ ይምለስ እንተሃለወ፡ ንንግዳዊ ንጥፈታቶም ግን ከምዝጸለዎ ይገልጹ። ወይዘሮ ናዎ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝተኣወጀ ሰዓት እቶ እቶ ኣብ ዝሃባኦ ርእይቶ “ጽቡቕ እዩ፤ ዓቢይ ለውጢ’ውን ኣሎ። ካልእ እዋን’ኮ ሰባት ኣብ መንገዲ ብናጽነት ኣይንቀሳቐሱን ነይሮም። ሎሚ ግን ከም ድላዮም ይንቀሳቐሱ ኣለዉ” ኢለን። ወይዘሮ ኣወሊዎ ብወገና \"እቲ ኣዋጅ ዓቢ ለውጢ ኣምጺኡ’ሎ። ሰዓት እቶ እቶ እንተዘይህሉ ነይሩ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ክንነብር ኣይምኸኣልናን። ቅድሚ ሎሚ ኣብቲ እምባ [ግጭት ምስ ተወልዐ ሃዲሞም ዘዕቈቡሉ ቦታ] ደው ኢልና ኢና ንኵነታት ዓድና ንርኢ ዝነበርና” ትብል ነቲ ኵነታት ብምንጽጻር። ይዅን እምበር ክልቲአን ኣደታት ኣብ ከባቢአን ዘሎ ፖሊስ ይዅን ካልኦት ሓይልታት ጸጥታ ቅልቅል ኢሎም ንዅነታት እቲ ከባቢ ክከታተሉ እንተዘይርእየን ናብ ከቢድ ስግኣት እየን ዝኣትዋ። ናብታ ቁሸት ካብ ዝተመልሱ ሽዱሽተ ስድራቤታት እቶም ሰለስተ ካብ ዓሌት ቦረና ክዀኑ እኝከለው፡ እቶም ሰለስተ ድማ ካብ ገብራ እዮም። ኣብ መርሳቤት ሰዓት እቶ እቶ ተኣዊጁ፡ ሓይልታት ጸጥታ ብቐዋምነት ምስተዋፈሩ፡ ኣብ ኢድ ነበርቲ ዝነበረ ኣጽዋር ኣኪቦምዎ’ዮም። ኣቶ ሄኖክ ከሎ፡ ካብ ከባቢኦም ጥራሕ 15 ኣጽዋር ተኣኪቡ ኣታዊ ከምዝተገበረ ይዛረብ። ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝነብሩ ዝተፈላለዩ ዓሌታት፡ እቶም ቦረናን ገርባን ዝበሃሉ ቀቢላታት ብተደጋጋሚ ናብ ግጭት ዝኣትዉሉ ምኽንያት፡ መጋሃጫን መሬትን ከምዝዀነ የረድእ። ነበርቲ እቲ ከባቢ ግን ንመበገሲ ናይቲ ግጭት ንፖለቲከኛታት እቲ ከባቢ ተሓተትቲ ይገብሩ። እቲ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ኣብ ኬንያ ዝካየድ ምርጫ’ውን ኣብ መንጐ እቶም ቀቢላታት ካልእ ጎንጺ ንኽለዓል ምኽንያት ከይከውን ንነበርቲ ስግኣት ኣሕዲርሎም ኣሎ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyep82exkddo"} {"headline":"ምስረታ ሓደስቲ ክልላት ኢትዮጵያ፡ ረብሓኡን ሳዕቤኑን እንታይ እዩ?","content":"ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝፈረሰ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኢህወደግ፡ ብ1983 ዓ.ም [ግእዝ] ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ፡ ኣብታ ሃገር ዝጸንሐ ኣሃዳዊ ስርዓት ናብ ፌደራላዊ ስርዓት ከም ዝቕየር ገይሩ። ኵሎም ዜጋታት እታ ሃገር ብፍላይ ድማ ተረሲዖም ወይ ማዕረ ዕድላትን መሰላትን ኣይጸንሖምን ዝበሃሉ ብሄር ብሄረሰባት፡ ተሰማዕነት ንኽህልዎም ብዝብል፡ እዚ ስርዓት ከም ዝተመርጸሉ መሰረታዊ ምኽንያት ምዃኑ መራሕቲ እቲ ሰልፊ ይምጕቱ ነይሮም። እቲ ብኢህወደግ ዘተኣታተዎ ኣወዳድባ ፌደራሊዝም፡ ኣቐዲሙ ሓሙሽተ ንዝነበራ ክልላት ናብ ሓደ ብምምጻእ፡ ክልል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ ዝተባህለ ሓደ ክልል መስሪቱ። እዚ ግን ንዅሉ ህዝቢ እቲ ክልል ዘሐጕሰ ኣይነበረን፤ ኣብ ውሽጢ እዚ ክልል ዘለው ዝተፈላለዩ ብሄራት ነናይ ገዛእ ርእሶም ክልል ክምስርቱ ሕቶታት ከቕርቡ ጸኒሖምን ኣለዉን። ካብኣቶም ዞን ሲዳማ፡ ንዓመታት ሕቶ ክልልነት ከቕርብ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ኣብታ ሃገር ክልተ ካብቲ ክልል - ደቡብ - ዝወጽኣ ሓደስቲ ክልላት ተመስሪተን። ሲዳማ፡ ድሕሪ ብዙሕ መስዋእቲ ህይወት ሰብን ግጭትን፡ ካብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ተፈልዩ ርእሱ ዝኽኣለ ክልል ኰይኑ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ኣዋርሕ ምዕራብ ኦሞ፡ ቤንች ሸኮ፡ ከፋ፡ ዳውሮን ሸካን ብሓባር ብምዃን መበል 11 ክልል መስሪቶም። ይዅን’ምበር፡ ኣብቲ ዝጸንሐ ክልል ሕጂ’ውን ሕቶ ይግብኣኒ ዘቕርቡ ህዝብታት ኣለው፤ እቲ ሕቶ’ውን ብቐጻሊ ይልዓል ኣሎ። ክልል ክንከውን ኣለና ኢሎም ካብ ዝሓቱ ከባቢታት ዞን ወላይታ ሓደ ኰይኑ፡ ነዚ ስዒቡ ኣብቲ ዞን ዕግርግር ተላዒሉ ከም ዝነበረ ይዝከር። ኢትዮጵያ እትኽተሎ ዘላ ስርዓት ፌደራሊዝም ዝድግፉን ዝሓሸ እንኮ ኣማራጺ እዩ ኢሎም ዝኣምኑን ምሁራትን ህዝብታትን ኣለው ብኣንጻሩ እታ ሃገር ሕጂ ኣትያቶ ንዘላ ቅልውላዋት ምኽንያት ኰይኑ’ዩ ኢሎም ዝነቕፉ’ውን ብዙሓት ኣለው። ንምዃኑ፡ መበገሲ እዞም ሕቶታት እንታይ እዩ? ምስረታ ሓደስቲ ክልላት ሓደጋ’ዩ ዝብሉ ኸ መካትዒኦም እንታይ’ዩ? ኣብ እዋን ኢህወደግ ዝተኣታተወ ስርዓት ፌደራሊዝምን ንዕኡ ስዒቡ ዝጸደቐ ሕገ መንግስትን፡ ንብሄር ብሄረሰባት እታ ሃገር መሰል ርእሰ ውሳነ ክሳብ ምግንጻል ዘፍቅድ እዩ። ኣብ ኣፍሪቃ፡ ናይጄሪያን ኢትዮጵያን ብወግዒ ነዚ ስርዓት ንኽተል ኢና ዝብላ ሃገራት ኰይነን፡ ካልኦት ሃገራት’ውን ይኽተልኦ እየን። ኢትዮጵያ ነዚ ስርዓት ብምኽታል ኣብ ኣፍሪቃ ካልኣይቲ እያ ዝብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬፕታውን ምሁር ሕጊ ዮናታን ተስፋዬ ፍስሃ፡ መንግስታት ፌደራልን ክልልን ብሓባር ንሓንቲ ሃገር ዘመሓድርሉ ስርዓት ምዃኑ የረድእ። ‘መሰል ርእሰ ውሳነ ክሳብ ምግንጻል’ ዝብል ዓንቀጽ እቲ ሕገ መንግስቲ፡ ስርዓት ፌደራሊዝም ኢትዮጵያ ካብ ካልእ ዝተፈልየ ከም ዝገብሮ ብምግላጽ፡ ካልኦት ሃገራት ነዚ ኣማራጺ እንተሃባ’ውን ምግንጻል ዝብል ሓሳብ ከንጸባርቓ ኣይርኣያን’የን ይብል። ነቲ ኢትዮጵያ እትኽተሎ ስርዓት ዘይድግፉ ኣካላት፡ ‘እቲ ስርዓት እታ ሃገር ሕጂ ንዘላቶ ፖለቲካዊ ቅልውላው ምኽንያት ኰይኑ እዩ’ ክብሉ ይነቕፉ። ብኻልእ ወገን ኢትዮጵያ ንኽትቅጽል ዘኽእል ስርዓት እዩ ኢሎም ዝምጕቱ ሰባት፡ ‘ፌደራሊዝም ብዙሓት ብሄራት ንዘለውዋ ሃገር ዝጠቅም እዩ’ ዝብል ምጕት ኣሎዎም። እቲ ምሁር ሕጊ’ውን ነዞም ክልተ ሓሳባት የልዕል። “እቲ ሕገ መንግስቲ ምሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ስለ ዘይኰነ፡ ፖለቲካዊ ናጽነት ኣሎ’ዩ እኳ እንተዘይበልና፡  እቲ ፌደራሊዝም ግን ብሄር ብሄረሰባት ናይ ባዕልና ንዝብልኦ ሰብ ድምጺ ክህባ ኣኽኢሉ እዩ። ብሄራት ናይ ባዕለን ዕድል ንኽውስና፣ መራሕተን ንኽመርጻን ብቋንቋአን ንኽመሓደራን ኣኽኢሉ’ዩ” ይብል። ኣቶ ዮናታን ከም ዝብሎ፡ ስርዓት ፌደራሊዝም ብዙሓት ቋንቋታት ኣብ ስራሕ ክውዕሉ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ጥቕሚ ንኽውዕሉ ዕድል ሂቡ እዩ። ብኻልእ ሸነኽ፡ ነዚ ስርዓት ዝነቕፉ ኣካላት ኣወዳድባ ብሄራት ነቲ ስርዓት ከም ዝፈጠረ ይዛረቡ። “ኣብ ብብሄር ዝተሞርኰሰ ክልል ወይ ዞባ ክፍጠር እንከሎ፡ ‘ደቀባትን ሰፋሮን’ ዝብል ስምዒት ይፈጥር እዩ። እዚ ኣብ ሕገ መንግስቲ ገለ ክልላት ብግልጺ ሰፊሩ’ዩ። እዚ ክልል ናተይ’ዩ፣ ንስኹም ሰፈርቲ ስለ ዝዀንኩም መሰል ክህልወኩም ኣይግባእን፣ እንተዀይኑ’ውን ብፍቓድና’ዩ ክኸውን ዝግባኦ ዝብል ስምዒት ኣማዕቢሉ’ዩ” ክብል የረድእ። ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ 1983 ዓ.ም ናይ ብሄር ምክፍፋል ነይሩ’ዩ፤ እንተዀነ እቲ ስርዓት ዝያዳ ክሰፍሕ ከም ዝገበሮ እቲ ምሁር ይዛረብ። እቲ ሕገ መንግስቲ፡ ኢትዮጵያ ብሄር ብሄረሰባት ብፍቓዶም ዝመስረቱዋ ሃገር ስለ ዝዀነት፡ እቶም ህዝብታት ድማ ካብ ርእሰ ምምሕዳር ሓሊፉ ክሳብ ምግንጻል መሰል ኣለዎም ይብል። ማሕበር ኣምሓራ ኣብ ኣሜሪካ፡ ነዚ ሕገ መንግስቲ ካብ ዝነቕፉ ውዳበታት ሓደ ኰይኑ፡ ዳይሬክተር ኣድቮኬሲ እቲ ማሕበር ኣቶ ሆነ ማንደፍሮ፡ ክልል ህዝብታት ደቡብ ቅድሚ እቲ ሕጂ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ምክፍፋል፡ ምስተን ካልኦት ክልላት ዝወዳደር ፖለቲካዊ ዓቕሚ ከም ዝነበሮ ይዛረብ። “ዓቕሚ ዘይብለን ክልላት እናተፈጥራ ክመጽኣ እንከለዋ ግን ጸገም ክፍጠር’ዩ” ክብል ስግኣቱ ንቢቢሲ ገሊጹ። “እታ ሃገር፡ ኣብ መጻኢ ኣብ መንጐ ኣምሓራን ኦሮሚያን ዝርአ ዓቢይ ፖለቲካዊ ወጥሪ ክገጥማ እዩ፤ ካልኦት ድማ ሓንቲ ምስታ ካልእ ልፍንቲ [ኣልያንስ] ምፍጣር ክጅምራ እየን” ይብል። ብኻልእ ወገን ይብል ኣቶ ሆነ፡ እተን ሕጂ ከም ብሓድሽ ዝውደባ ዘለዋ ክልላት “ኣብ ውሽጠን ንዝነብሩ ንኣሽቱ ብሄራት [ተወለድቲ ካልኦት ክልላት] ኣፍልጦ እንተዘይሂበን ንዝኸፍአ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣድልዎን ከቃልዕ ይኽእል’ዩ።” ወሲኹ፡ “እቲ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ቤንሻንጉልን ዘሎ ኵነታት እዚ እዩ፤ ሓደስቲ ክልላት ብሕታዊ ዋናታት ናይቲ ከባቢ [exclusive homeland] እናዀና’የን ዝመጽኣ። እዚ ድማ ንኣሽቱ ብሄራት ክግለሉን ንሓደጋ ክቃልዑን’ዩ ዝገብር። ንኣብነት፡ ኣብ ወላይታ፡ ሲዳማን ካልኦት ክልላትን ዘለው ኣምሓሩ፡ መሰሎም ተሓልዩ ከም ዜጋታት ናይ ምርኣይ ዕድሎም እናነከየ’ዩ ዝመጽእ። እዚ ኸኣ ግጭት ንክለዓል ምኽንያት ይኸውን፡” ኢሉ። እቲ ዳይሬክተር፡ እቶም ሕቶታት ሕገ መንግስታዊ’ኳ እንተዀኑ፡ ብመሰረቱ ግን እቲ ሕገ መንግስቲ “መንፈስ ህንጸት ሃገር የብሉን” ብምባል ይካታዕ። ብተወሳኺ፡ እቲ ሕገ መንግስቲ ከምቲ ኣብ ሕሉፍ ዝነበረ ኣወዳድባ ክፍለ ሃገር፡ ክልላት ናይ ምምሕዳር ወሰን ዘይኰነ ብዘየሻሙ ኣገላልጻ ‘ኔሽን’ [ብሄር] እየን ምባል ኣጸጋሚ ከም ዝገብሮ ይሕብር። “እታ ሃገር ግን ሓንቲ’ያ ኢልና ንሓስብ እንተዄንና፣ ክልላት ድማ ምምሕዳራዊ ወሰን እየን ንብል እንተዄንና፡ ብመንጽር ፍትሓዊ ዝርግሐ ምጣነ ሃብቲ እንታይ ዓይነት ምኽላል እንተተጠቐምና ይሓይሽ? ዝብልን ካልእን ብምርኣይ እቶም ሕቶታት ክምለሱ ይኽእሉ’ዮም፡” ኢሉ። ክልላት ዝተረሓሓቐ ብዝሒ ህዝብን መልክዓ-ምድርን [ጂኦግራፊ] ከይህልወን ብምግባር’ውን ነቶም ሕቶታት ምምላስ ከም ዝክኣል ይዛረብ። “እዚ ንምግባር ግን ሓንቲ ሃገር እያ ዝብል ኣተሓሳስባ ክህሉ ኣለዎ፡” ይብል። ዞባ ወላይታ፡ ሕቶ ክልልነት ብተደጋጋሚ ካብ ዘልዕሉ ብሄራት ሓደ እዩ። እቲ ዞን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ነዚ ሕቶ ከቕርብ እንከሎ፡ ነዚ ዝድግፉ ሰባት ናብ ኣደባባይ እንተወጽኡ’ውን ምላሽ ኣይረኸበን። ተወላዲ እቲ ክልል ዝዀነን ሽሙ ክዕቀብ ዝሓተተን ምሁር፡ እዚ ሕቶ ሸቶኡ ንኽሃርም ፖለቲካዊ ሰልፊ ካብ ዝመስረቱ ሰባት እቲ ሓደ እዩ። “እዚ ፍትሓዊ’ዩ” ዝብል እቲ ምሁር “ወላይታ ብታሪኽ ርእሱ ዘመሓድረሉ ዝነበረ ስርወ-መንግስቲ [ዳይናስቲ] ምስ ወደቐ፡ ንብዙሓት ዘመናት ከም ውሑድ ብሄር ተቘጺሩ ማዕርነትን ሓበራዊ ዋንነትን ተመንዚዑ ጸኒሑ’ዩ፡” ይብል። ወላይታ፡ ምስ ኣስታት 56 ብሄራት ኣብ ውሽጢ ሓደ ክልል ምሕቛፉ፡ ብምኽንያት መሬትን ካልኦት ሃብቲ ተፈጥሮን ከምኡ’ውን ዝንቡዓት ትርኽትን ኣብ መንጐ ህዝብታት ጽልኣትን ዘይምትእምማንን ብምፍጣሮም፡ ጐንጺታት ክፍጠሩ ጸኒሖም’ዮም ኢሉ። ነዚ፡ እቲ ብ2011 ዓ.ም ኣብ መንጐ ወላይታን ሲዳማን ዝተፈጥረ ጐንጺ ብኣብነት የልዕል። ካብዚ ሓሊፉ፡ ህዝቢ ወላይታ ኣብ ውሽጢ ክልል ህዝብታት ደቡብ ኣብ ዝተመሓደረሉ ዘመን ዘጋጠሞ ጸገም፡ ሕቶ ክልልነት ንኸልዕል ምኽንያት ኰይኑ’ዩ ክብል ይምጕት። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ማዕረ ተሳታፍነት የብሉን፡ ዝብል እቲ ወሃቢ ርእይቶ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ባይቶ እንተሃለዎ’ውን፡ ኣብ ባይቶ እቲ ክልል ዘለዎ ድምጺ ግን ኣዝዩ ዝተሓተ ምዃኑ ይዛረብ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ዘለዎ ድምጺ’ውን መሰሉ ንምሕላው እኹል ኣይኰነን ይብል። እቲ ቀንዲ ሕቶ “ከም ብሄር፡ ኣብ ፍትሓውነትን ማዕርነትን ዝተሞርኰሰ ተጠቃምነት ትሕተ ቕርጺ፣ ፖለቲካዊ ተሳትፎን ቍጠባዊ ተጠቃምነትን ብምስኣኑ መሰል ርእሰ ውሳነ ብምጥላብ ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ፌደራል ቀጥታዊ ተሳትፎ ክረክብ ኣለዎ፤ ነዚ ድማ ክልል ክንከውን ኣለና” ኢሉ። ደያሞ ዳሌ ምሁር ፖለቲካዊ ስነፍልጠትን ዓለምለኻዊ ርክባትን እዩ። ንሱ፡ ክኢላ ርክባት ህዝቢ እቲ ክልል ኰይኑ ኣገልገሉ ነይሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ኣብ ሓደ ዘይመንግስታዊ ትካል ይሰርሕ ኣሎ። ኣቶ ደያሞ፡ ንኣመሰራርታ ሓደ ክልል ከብርህ እንከሎ፡ መጀመርታ ኣብያተ ምኽሪ ዞባ ዘሕለፍዎ ውሳነ ናብ ክልላዊ ባይቶ ከም ዝልኣኽ ይዛረብ። እቲ ክልላዊ ባይቶ ድማ፡ ነቲ ውሳነ መርሚሩ ናብ ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ምስ ኣሕለፎ፡ እቲ ቤት ምኽሪ ምስ ኣጽደቘ ድምጺ ህዝበ ውሳነ ንኽካየድ ናብ ቦርድ ምርጫ ይልኣኽ። ሲዳማ፡ ክልል ምስ ኰነ ካልኦት ዞናት ክልል ደቡብ’ውን ተመሳሳሊ ዕድል ንኽወሃበን ክሓታ ምጽንሐን ዝጠቅስ ኣቶ ደያሞ፡ ሰልፊ ብልጽግና ንሕቶ እዘን ዞናት “ብክላስተር ተወደባ” ዝብል ምላሽ ከም ዝሃበን ይዛረብ። “በዚ መሰረት ሒደት ዞናት ተሰማሚዐን ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ብዝብል ክልል መስሪተን። ካልኦት ከኣ ነዚ ሓሳብ ተቓዊመንኦ።” ገሊኦም ብብሄሮም ክልል ንክዀኑ ሕቶ ዘቕረቡ ኰይኖም፡ ዝተወሰና ዞናት ድማ ኣብ ውሽጠን ዝተፈላለዩ ብሄራት ሓቚፈን ክልል ንክዀና እየን ሓቲተን። “ሕጂ ጉራጌን ደራሼን እየን ተሪፈን። ኣባላት ሰልፊ ብልጽግና ጉራጌ ግን ኣይተሰማምዑን፤ እቶም ዘይተሰማምዑ ካብቲ ሰልፊ ክወጽኡ’ዮም ኢለ እግምት። ሹመኛታት ግን እምብለና ክብሉ’ዮም ኢለ ኣይኣምንን፡” ይብል ኣቶ ደያሞ። ንሱ ከም ዝብሎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ርእሰ ከተማ እቲ ዝምስረት ክልል ኣየናይ ይዅን ኣብ ዝብል ጉዳይ ስምምዕ የለን። “ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ይዅኑ ዝብል ሓሳብ ሰሚዐ ኣለኹ። ክልል ደቡብ ምዕራብ ንርእሱ ኣብዚ ጉዳይ ኣይተሰማምዐን ዘሎ። ንግዜኡ ኣብ ቦንጋ’ዩ ዘሎ፤ ብኡ ንቐጽል ዝብልን ዝቃወምን ግን ኣሎ።” ኣቶ ደያሞ፡ ኣብያተ ጽሕፈት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክዀኑ ምግባር፡ ነገራት ካብ ምትሕልላኽ ወጻኢ መፍትሒ ክኸውን ኣይክእልን ዝብል እምነት ኣለዎ። እተን ዝተረፋ ዞናት ኣብ ስምምዕ በጺሐን ርእሰን ዝኽኣላ ክልላት እንተዀይነን፡ እቲ ሕጂ ዘሎ ክልል ደቡብ ክፈርስ እዩ። እቲ ምሁር ግን ሕጂ’ውን እንተዀነ ኣብቲ ክልል ዘለው ዝተፈላለዩ ብሄራት ኣክንዲ’ቲ ዓቢይ ክልል ደቡብ ናብ ንኣሽቱ ክልላት ዝተወደቡ’ዮም ይብል። “ከም ሲዳማ ዝበሉ ክልላት ተመሳሳሊ ቋንቋ ስለ ዝዛረቡ ፍታሕ ክኸውን ይኽእል’ዩ፤ ካልኦት ዞናት ግን ብሓደ ክውደቡ’ዩ ተገይሩ። ኣነ ከም ዝመስለኒ እዚ ለውጢ ኣየምጽእን። እቲ ዝነበረ ዘይምቅዳው ናብ ንኣሽቱ ዘይምቅዳዋት ጥራይ’ዩ ዝቕይሮ።” ብቐንዱ ግን፡ እተን ከም ብሓድሽ ዝምስረታ ዘለዋ ክልላት፡ ህዝቢ ተጠቃሚ ክኸውንን ምዕሩይ ምሕደራ ክሰፍንን ክሰርሓ ከም ዘለወን ኣቶ ደያሞ ይሕብር። ፖለቲከኛታትን ምሁራት ፖለቲካዊ ስነፍልጠትን፡ እቲ ስርዓት ፌደራሊዝም እንተዀነ’ውን ብሄር ተኰር  ክኸውን የብሉን፡ ይብሉ። ምሁር ሕጊ ዮናታን ተስፋዬ በዚ ሓሳብ ካብ ዝሰማምዑ ሓደ ኰይኑ፡ “ስርዓት ፌደራሊዝም ንኢትዮጵያ ኣማራጺ ዘይብሉ ስርዓት ምዃኑ ግልጺ’ዩ። እቲ ሕቶ እንታይ ዓይነት ፌደራሊዝም ይዅን ዝብል’ዩ” ኢሉ። ንሱ ከም ዝብሎ፡ እቲ ክትዕ እቲ ስርዓት ብሄር ተኰር’ዶ መልክዓ ምድራዊ [ጂኦግራፊያዊ] ይዅን ዝብል እዩ። ጂኦግራፊያዊ ማለት ሓደ ከባቢ ንምሕደራ ዝመችእ ገይርካ ምውዳብ ማለት እዩ ክብል የረድእ። “ዝዀነ ይዅን ሕቶ ብሄራት ዝምልስ ስርዓት ክኸውን ኣለዎ ኢለ’የ ዝሓስብ። ነዚ ሕቶ ዘይምልስ ስርዓት ኣብ ኢትዮጵያ ቅቡልነት የብሉን። እዚ ኸኣ፡ እቲ ዘሎ ስርዓት ብዝተፈለየ መልክዑ ብምውዳብ ክምለስ ይኽእል’ዩ፤ ነዚ እቲ ሕጂ እንኽተሎ ስርዓት ኣብ ቦታኡ እንከሎ ኣብ መንነት ብሄር ጥራይ ትዅረት ዝገበረ ክኸውን የብሉን።” ፖለቲከኛታትን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚዲያን ግን፡ ‘እቲ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ንህላወ እታ ሃገር ዘስግእ’ዩ’ ኢሎም ይምጕቱ። ዮናታን፡ “ከምኡ ኢልካ ንምድምዳም መጀመርታ እቲ ሕገ መንግስቲ ብልክዕ ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣለዎ። ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ዋላ’ውን ብፌደራላዊ ሕገ መንግስቲ እንተተመራሕና፡ እቲ ስርዓት ብዝግባእ እንተርኢናዮ ከምቲ ኣሃዳዊ ስርዓት’ዩ ዝንቀሳቐስ። ክልላት መሰለን ተሓልዩ ናይ ባዕለን ዕድል ኣብ ዝውንናሉ ኵነታት ኣይኰናን ዘለዋ፡” እዩ ዝብል። እቲ ስርዓት፡ ብልክዕ ተግባራዊ ከይኰነ እንከሎ፡ ስርዓት ፌደራሊዝም ንህላወ እታ ሃገር ሓደገኛ እዩ ምባል፡ ብመረዳእታ ዝተደገፈ ኣይኰነን ብምባል ሓሳቡ የጠቓልል። “ስግኣታት ኣለው’ዮም። ናይ ብሄር ፖለቲካ ምህላው ኣብ መንጐ እቲ ሕብረተሰብ ወጥሪ ፈጢሩ’ዩ። ዜጋታት ብናጽነት ክንቀሳቐሱ ዘይምኽኣሎም፣ መሰሎም ምስ መንነት ብሄር ዝተተሓሓዘ ምዃኑን ካልእን ዝፈጠሮ ስግኣት ኣሎ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ስርዓት ህዝብታት ብሰላም ንኸይነብሩ ስግኣት ኰይኑ’ዩ ምባል ይከኣል።”","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ckr04y8lj5ko"} {"headline":"ካንየ ዌስት ዓመጽ ኣለዓዒሉ ብዝብል ካብ ትዊተር ተኣጊዱ","content":"ኣብ ዝሓለፈ እዋን ካብ ትዊተር ተኣጊዱ ዝነበረ ካንየ ዌስት፡ ብጸያፍ ጽሑፋቱ \"ዓመጽ ኣለዓዒሉ\" ተባሂሉ ተኸሲሱ፡ ካብ ትዊተር’ውን ተኣጊዱ። እዚ ሕጂ የ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ኣሜሪካዊ ራፐር፡ ተኸታታሊ ዘይንቡር ትዊተር ዝጸሓፈ ኮይኑ ሓደ ካብዚኦም ስዋስቲካን ኣይሁዳዊ ኮኾብን ዘወሃህድ ምልክት ዘርኢ ይመስል። ሓድሽ ሓላፊ ትዊተር ኤሎን መስክ፡ \"ንካንየ ከስተኻኽል\" ብሓደ ተጠቃሚ ትዊተር እዩ ተሓቲቱ። ዌስት \"ንዓመጽ ምልዕዓል ዝምልከት ሕጊና ጥሒሱ እዩ\" ክብል መስክ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። ኣስዒቡ'ውን፡ \"ኣካውንቱ ክቋረጽ'ዩ\" ክብል ገሊጹ። ካብዚ ብተወሳኺ ብሓሙስ ምስ ኣሜሪካዊ ክልሰ-ሓሳባዊ ውዲት ኣሌክስ ጆንስ ገጹ ብማስክ ተሸፊኑን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ካንየ ዌስት ንመራሒ ናዚ ኣዶልፍ ሂትለር ንኢዱን ብዛዕባ ሓጢኣት፡ ስእለ-ጽዩፍን ዲያብሎስን ተዛሪቡ እዩ። ሓላፊ ትካል ትምህርቲ ህልቂት ኣይሁድ ብሪጣንያ፡ ንርእይቶ ዌስት \"ዘጽልእን ዘሕምምን\" ክብል ገሊጽዎ። ዋና ኣካያዲት ስራሕ ካረን ፖሎክ፡ \"እዞም ርእይቶታት ምስቲ ልዑል ተርእዮኡን ዓቢ ሰዓብቱን ሓደገኛ ሳዕቤን ኣለዎም\" ኢላ። ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ዌስት ብተኸታታሊ ጸረ-ሴማውን ዓሌታውን ቃላት ምዝራቡ ክትዕ ዝፈጠረ ክኸውን እንከሎ እቲ ዓቢ ናይ ክዳውንቲ ትካል ኣዲዳስ ምስቲ ራፐር ዘለዎ ርክብ ከቋርጽ ምኽንያት ኮይኑ እዩ። ዌስት ኣብ መጀመርታ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ጸረ-ሴማውያን መልእኽቲ ድሕሪ ምልጣፉ ካብ ናይ ትዊተርን ኢንስታግራምን ኣካውንቱ ተኣጊዱ ነይሩ። ክልቲኦም መድረኻት፡ ፖሊሲታት ጽልኢ ዘረባ ጥሒሱ ብዝብል፡ ዌስት ንራፐር ዲዲ ብህዝቢ ኣይሁድ ይቆጻጸር ኣሎ ኢሉ ዝኸሰሰሉ ጽሑፋት ኣልጊሶም እዮም። እዚ ጽሑፋት እዚ፡ ኣብ ሰሙን ፋሽን ፓሪስ ኣብ ዝገበሮ ምርኢት፡ \"ህይወት ጸዓዱ ኣገዳሲ’የ\" ዝብል ጭርሖ ዝሓዘ ቲሸርት ተኸዲኑ፡ ንዝተራእየ ድሕረ-ባይታ መልሲ ንምሃብ ዝተገብረ'ዩ። ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ሊግ ጸረ ጸለመ ነታ ሓረጉ \"ናይ ጽልኢ ዘረባ\" ብምባል፡ ምስቶም ልዕልና ጸዓዱ ዝደልዩ ሰባት ኣተኣሰሲርዎ እዩ። እቶም ልዕልና ጸዓዱ ዝደልዩ ሰባት፡ ኣብ 2015 ‘ህይወት ጸለምቲ ኣገዳሲ’ዩ’ ንዝብል ምንቅስቓስ መልሲ ንምሃብ ‘ህይወት ጸዓዱ ኣገዳሲ’የ’ ዝብል ጭርሖ ክጥቀሙ ምጅማሮም ይፍለጥ። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ዌስት ንኮሜድያን ትሬቨር ኖህ ጠቒሱ ዓሌታዊ ጸርፊ ድሕሪ ምጽራፉ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ን24 ሰዓታት ካብ ኢንስታግራም ተኣጊዱ ነይሩ። እቲ ናይ መወዳእታ ናይ ትዊተር እገዳኡ፡ እቲ የማናዊ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፓርለር፡ ዌስት ድሕሪ ደጊም ነቲ ትካል ክገዝኦ ከምዘይክእል ድሕሪ ምግላጹ'ዩ። \"እቲ ኩባንያ ነቲ ዕላማ መሸጣ ከቋርጾ ምስ የ ብሓባር ተሰማሚዑ ኣሎ\" ክብል ገሊጹ። እቲ ትካል ኣብቲ መግለጺኡ፡ \"ፓርለር ንመጻኢ ዕድላት ዕብየትን ምዕባለን ናይቲ ንጡፍ ማሕበረሰብና መድረኽ ምዃን ክቕጽል'ዩ\" ክብል ወሲኹ። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ንትዊተር ዝገዝአ መስክ፡ ብኡንብኡ ኣብ ልዕሊ ኣካታዕቲ ኣካውንታት ዝነበረ እገዳ ምልዓል ሓዊሱ ኣብ ውሽጢ እቲ ዓቢ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተኸታታሊ ሱር በተኻዊ ለውጢታት ጀሚሩ። ናይ ዌስት ትዊተር ኣካውንት ቅድሚ ነቲ ማሕበራዊ መራኸቢ መድረኽ ምግዛኡ ከምዝተመልሰ ብምግላጽ ዌስት ናብ ትዊተር ንኽምለስ ዝኾነ ተራ ከምዘይነበሮ ኣነጺሩ እዩ። ዌስት ቅድሚ ዓመታት ብሕማም ባይፖላር ዲስኦርደር ዝተለኽፈ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ኣብ ጥዕና ኣእምሮኡ ዘጋጠሞ ብድሆታት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተዛሪቡ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ክኢላታት ሕክምናን ምስ ኩነታት ዌስት ዝመሳሰሉ ሰባትን፡ ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ ምስ ጸረ-ሴማውነት ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ከምዘይከይድ ኣጠንቂቖም ኣለዉ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2v4r2l3nqo"} {"headline":"ኒውዮርክ፡ ፕረዚደንት ባይደን ልዕልና ጸዓዱ \"መርዚ\" እዩ ክብል ነቒፉ","content":"ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ልዕልና ጸዓዱ \"ኣብ ውሽጢ ሰብነትና ዝዘውር መርዚ'ዩ\" ክብል ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኒውዮርክ ከተማ ቡፋሎ ዝተፈጸመ ዓሌትነት ዝደረኾ መጥቃዕቲ ኮኒኑ። እቲ ፕረዚደንት ኣብታ ከተማ ብምብጻሕ ምስ ስድራ ግዳያት ተራኺቡ። ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ሓደ ጻዕዳ ውልቀሰብ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ሓደ ሱፐርማርኬት ብዘውረዶ መጥቃዕቲ፡ ዓሰርተ ሰባት ምማቶም ይዝከር። እዚ፡ 'ዓሌትነት መሰረት ዘለዎ መጥቃዕቲ' ብምባል ሰብ መዚ እታ ሃገር ኮኒኖምዎ'ዮም። እቲ ወዲ 18 ዓመት ጥርጡር፡ ንርእሱ ፋሽሽትን ኣምላኺ ልዕና ጸዓዱን ከም ዝዀነ ዝገልጽ ሰነድ፡ ብመገዲ ኢንተርነት ዘርጊሕዎ'ዩ። ፕረዚደንት ባይደን ትማሊ ምስ ስድራ ግዳያት ተራኺቡ፣ እቲ ጥርጡር ካብ መንጐ \"ብጽልኢ ዝዓወሩ'ዩ\" ክብል ነቒፉ። ወሲኹ፡ \"ልዕልና ጻዕዳ ቦታ የብሉን\" ኢሉ። ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ፡ እቲ ጥርጡር ናብቲ ብብዝሒ ጸለምቲ ዝነብርሉ ከባቢ፡ 320 ኪሎ ሜትሮ ተጓዒዙ ከም ዝመጽአ ብምግላጽ፡ ኮነ ኢሉ እቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሞ ሓቢሮም። እቲ ውልቀሰብ 'ማኒፌስቶ' ኢሉ ኣብ ኢንተርነት ኣብ ዝዘርግሖ ሰነድ፡ \"ጽንተት ጻዕዱ\" ከምኡ'ውን \"ምትካእ ጸዓዱ\" ዝብሉ ውዲታዊ ክልሰሓሳባት፡ ኣብ ልዕሊ ውሑዳን ሕነ ክፈዲ ከም ዝደረኾ ይገልጽ። ባይደን፡ እቲ ውልቀሰብ ዝፈጸሞ ተግባር፡ \"ካብ ፍርሕን ዓሌታውነትን ዝነቅል\" እዩ ብምባል ኮኒንዎ። እቲ ፕረዚደንት ብ2017 ኣብ ቨርጂንያ ዘጋጠመ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ሕሉፋት የማናውያን፡ ንፕረዚደንትነት ንክወዳደር ከም ዝደረኾ ብምግላጽ፣ ዲሞክራሲ ኣሜሪካ ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎ ኣተሓሳሲቡ። ስድራ ግዳያት ከኣ ጽንዓት ክህቦም ተመንዩ። ባይደን፡ \"በቶም ፈተውቲ ኣመሪካ ዘምስሉ ሰባት፡ ጽልእን ፍርሕን ልዕሊ ዓቐን ኦክስጅን ተዋሂብዎ እዩ፤ እዚኦም ግን ንኣመሪካ ኣይተረድእዋን ዘለው፡\" ይብል። \"ኵሉ ኣመሪካዊ ንኸምዚ ዓይነት ሓሶታት ክነጽግ፣ ነቶም ሓሶት ብምስራጽ ስልጣንን ፖለቲካዊ መኽሰብን ክረኽቡ ዝጽዕሩ ክዅንን፡ እጽውዕ፣ ስቕ ክንብል ኣይግባእን፡\" ኢሉ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/61489972"} {"headline":"ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓደ ጻዕዳ ተመሃሪ ኣብ ንብረት ጸሊም ተመሃሪ ሸይኑ","content":"ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዩኒቨርሲቲ ስተለንቦሽ ሓደ ጻዕዳ ተማሃራይ ዩኒቨርስቲ ኣብ ንብረት ጸሊም ተማሃራይ ድሕሪ ምሻኑ ካብ ትምህርቱ ከምዝተኣገደ እቲ ዩኒቨርስቲ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ። ብተወሳኺ፡ እቲ ጉዳይ መርመራ ክግበረሉ ምዃኑን ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ ክሲ ከም ዝምስረተሉን ሓቢሩ። ተመሃሮ እቲ ዩኒቨርሲቲ'ውን፡ ትማሊ ሰላማዊ ሰልፊ ገይሮም ኣብ ልዕሊ እቲ ተመሃራይ ቀዳማይ ዓመት ዝኾነ ውልቀሰብ ቅልጡፍ ስጉምቲ ንኽውሰድ ክሓቱ እንከለው እቲ ዩኒቨርሲቲ'ውን ግቡእ ስጉምቲ ክወስድ'የ ኢሉ። እቲ ጻዕዳ ተመሃሪ ኣብ ልዕሊ ንብረት ጸሊም ተመሃሪ ክሸይን እንከሎ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተዘርግሐ ኮይኑ፡ እቲ ተግባር ካብ ዓሌታዊ ስምዒት ዝነቅል ክኸውን ከም ዝኽእል እቲ ዩኒቨርሲቲ ሓቢሩ። ወሃቢ ቃል ማርቲን ቪልጆን፡ \"እዚ ኣዕናዊ፡ ጐዳእን ዓሌታውን ተግባር\" እዩ ብምባል እቲ ዩኒቨርሲቲ ነዚ ተግባር ከም ዝኹንኖ ተዛሪቡ። እቲ ግዳይ ክሳብ ሕጂ ኣብ ስንባደ ከም ዘሎን እቲ ዝተፈጥረ ነገራት ንምርዳእ ጻዕሪ ይገብር ምህላውን'ውን እቲ ዩኒቨርሲቲ ገሊጹ። እዚ ጉዳይ ክፍጠር እንከሎ፡ እቲ ጸሊም ተመሃሪ ኣብ ዝድቅሰሉ ክፍሊ ደቂሱ ከም ዝነበረን ምስ ነቕሐ ኣብ ክፍሉ ካልእ ሰብ ከም ዝረኣየን ማዕከናት ዜና እቲ ከባቢ ጸብጺበን። ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተዘርግሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ድማ፡ እቲ ጸሊም ተመሃሪ ነቲ ጻዕዳ ስለ ምንታይ ኣብ ንብረተይ ትሸይን እናበለ ክሓቶ ይስማዕ። እዚ ክስተት ግን፡ ሕጂ'ውን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ዓሌታውነት ከም ዘይጠፍአ ዘርኢ ምዃኑ ይግለጽ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/61475569"} {"headline":"ደቡብ ኣፍሪቃ: ዓሌታዊ ስርዓት ኣፓርታይድ ከብቅዕ ተራ ዝነበሮ ፕረዚደንት ነበር ዴ ክለርክ ዓሪፉ","content":"ናይ መወዳእታ ጻዕዳ ፕሬዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ኤፍ ዳብሊው ዴ ክለርክ ሎሚ ኣብ መበል 85 ዓመቱ ዓሪፉ። ዴ ክለርክ፡ እታ ሃገር ናብ ዲሞክራሲ ኣብ ምስግጋር ዓብዪ እጃም ዝነበሮ ኣንጻር ስርዓት ኣፓርታይድ ዝተቓለሰ በዓል ተራ እዩ። ንሱ፡ ኣብዚ ዓመት ብሕማም መንሽሮ ሕክምናዊ ክትትል ክገብር ከም ዝጸንሐ ተገሊጹ። ዴ ክለርክ፡ ካብ መስከረም 1989 ክሳብ 1994 ፕሬዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ እዩ። ኣብ 1990 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረ ኔልሰን ማንዴላ ካብ ማእሰርቲ ክፍታሕ ብምውሳን፡ ኣብ 1994 ዝተፈላለዩ ውድባት ዝተሳተፍሉ መረጻ ክካየድ ዘፍቀደ መራሒ'ዩ። ፋውንዴሽን ዴ ክለርክ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ \"ፕሬዝደንት ነበር ዴ ክለርክ፡ ብመንሽሮ 'ሜሶቲሎማ' ሓሚሙ ጸኒሑ፤ ሎሚ ንጉሆ ድማ ኣብ መንበሪ ገዝኡ እናሃለወ ዓሪፉ\" ኢሉ። እቲ መንሽሮ፡ ንመስመር ሳንቡኡ ከም ዘጥቅዖ ሓቢሩ። ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎዛን፡ ፍሉጥ ተሸላሚ ኖበል ሰላም ሊቀ-ጳጳስ ደዝሞንድ ቱቱ ዝርከብዎም መራሕቲ ብሞት ዴ ክለርክ ዝተምዖም ሓዘን ይገልጹ ኣለዉ። ዴ ክለርክ፡ ኣብ 1990 ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ዝነበረ እገዳ ክለዓል ብምግባር ልዕልነት ጽዓዱ ዘስፍን ዝነበረ ስርዓት ኣፓርታይድ ንከብቅዕ ዓብዪ ተራ ተጻዊቱ። ድሕሪኡ፡ ኣብ 1994 ኣብ ዝተኻየደ ዝተፈላለያ ውድባት ዝተሳተፋሉን ማንዴላ ፕሬዝደንት ዝኾነሉን መረጻ ሓደ ካብቶም ክልተ ምኽትል ፕሬዝደንት ንምዃን በቒዑ እዩ። ኣብ 1993'ውን ምስ ማንዴላ ሽልማት ኖቤል ሰላም ተማቒሉ። ንሓድግን ራእይን ማንዴላ ንምትግባር ዝተመስረተ ኔልሰን ማንዴላ ፋውንዴሽን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዴ ክለርክ \"ኣብ ታሪኽ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዘልኣለም ምስ ነልሰን ማንዴላ ተኣሳሲሩ ክነብር'ዩ\" ብምባል ንዝተጻወቶ ተራ ንኢዱ። እንተኾነ ግን፡ ደቡብ ኣፍሪቃውያን፡ ብዛዕባ ዝተጻወቶ ተራ ዝተፈላለየ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም። ገለ ነታ ሃገር ካብ ዓሌታዊ ምምሕዳር ናብ ደሞክራሲ ኣብ ምስግጋር ዝተጻወቶ ተራ ክንእዱ እንከሉ፡ ገለ ድማ መራሒ ናይቲ ዓሌታዊ ስርዓት ምንባሩ ካብ ነቐፌታ ክድሕን የብሉን ይብሉ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59230438"} {"headline":"ናዕቢ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካብ ፀገም ናብ ፀገም ዝገላበጡ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን","content":"ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ብምኽንያት ማእሰርቲ ፕረዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ጃኮብ ዙማ ኣብታ ሃገር ሰልፍታት ተቓውሞ ተላዒሎም ነይሮም። ኣብቲ ኣብ ትውልዲ ቦታ ጃኮብ ዙማ ክዋዙሉ-ናታል ተላዒሉ ናብ ዝተፈላሌያ ከባቢታት እታ ሃገር ዝተላብዐ ዘይምርግጋዕ፡ ገበነኛ ጉጅለታት መጥቀሚ ገይረሞ ነይሮም። ዝምታ ተፈፂምሎም ኣብ ዝተባህሉ ቦታታት ፖሊስ ስጉምቲ ክወስድ እንከሎ ብዙሓት ሰባት'ውን ኣብ ቀይዲ ከም ዝወዓሉ ይፍለጥ። ናብርኦም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝገበሩ ኢትዮጵያውያን ግን ግዳያት ኮይኖም። ድሕሪ ሰሙናት'ውን እዚ ፀቕጢ ቀፂሉ እዩ። ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ዝኸድ 9 ዓመታት ዘቑፀረ ኣሰግድ ዮውሃንስ፡ ኣብ ጥቓ ደርባን ኣብ ትርከብ ክዋዙሉ ናታል፡ ክዳውንትን ጫማን ይሸጥ ከም ዝነበረ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ንሱ ኣብ ዝነብረላ ንእሽተይ ከተማ ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያን ጥራሕ ይነብሩ። ድሕሪ ማእሰርቲ ፕረዝደንት ነበር እታ ሃገር ጃኮብ ዙማ ኣብ ዝተላዕለ ናዕቢ፡ ንብረት ናይቶም ክልተ ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዝዓነወ ይዛረብ። ሓደ ዓመት ምስ ሰርሐ፡ ዘለዎ ጠቕሊሉ ንብረቱ ሸይጡ ናብ ኣዲስኣበባ ተመሊሱ ክሰርሕ ትልሚ ዝነበሮ ኣሰግድ፡ ሕዚ ግና ነዚ ምግባር ከቢድ ምዃኑ ይዛረብ። ዝነበሮ ንብረት ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዝተዘመተን፡ እዚ'ውን ልዕሊ 1 ሚልየንን ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕን ራንድ ከም ዝግመት ሓቢሩ። \"ነታ ከተማ ለቒቐ ወፂአ'የ፤ ኣብ መደብርካ ዝነበሩ ክዳውንቲ ሰባት ተኺደኖሞ ምርኣይ ይርብሽ'ዩ። በዚ ምኽንያት ናብ ጆሃንስበርግ መጺአ፡ ምስ መሓዙተይ ይነብር ኣለኹ\" ይብል። ቅድሚ ሕዚ'ውን፡ ሰለስተ ግዘ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከም ዘጋጠሞ ንቢቢሲ ገሊፁ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዚ ዓይነት ፅልኣት ዜጋታት ካልኦት ሃገራት መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ እንትፍፀም፡ ምንቅስቓሳት ይግደብ፣ ትካላት ንግዲ ምኽፋት ኣይከኣልን፣ ካብ ገዛ'ውን ምውፃእ ኣይከኣልን ዝብል ኣሰግድ፡ ክቃወሙ ዝወፅኡ ሰባት ኣብ መወዳእታ ትካላት ንግዲ ዘሚቶምን ኣዕንዮምን ምኻድ ልሙድ'ዩ ይብል። ኣብ 2018 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ሰልፊ ተቓውሞ እንክለዓል፡ \"ዙማ ካብ ስልጣን ይውረደልና\" ዝብል ሕቶ ከም ዝነበሮም ዝዝክር ኣሰግድ፡ ብሰንኪ እዚ ብዙሓት ስደተኛታት ከም ዝተዘሞቱ ይገልፅ። ኣብ ዓመት ኣብ ዓመተ 2021 ድማ፡ ዙማ ክእሰር የብሉን ዝብል ካልእ ርእሲ ሒዞም መጺኦም ብምባል፡ ናይ ሕዚ ጎንፂ ካብ ካልእ እዋን ዝሓሰመ ከም ዝነበረ ይዛረብ። ኣብዚ ዝምታን ዕንወትን ልዕሊ 150 ሽሕ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ሸቕሊ ኣልቦ ኮይኖም'ዮም ዝብል ኣሰግድ፡ ብቢልዮን ዶላራት ዝግመት ንብረት ዓንዩ ክብል ነቲ ኩነታት ይገልፆ። \"ምሳይ ይሰርሑ ዝነበሩ ሽድሽተ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ስራሕ ፈቲሖም'ዮም\" ብምባል እዚ ቁፅሪ ኣብ ዓበይቲ ማእኸላት ዕዳጋ እንትረኣይ ድማ ዓብይ ኣሃዝ ከም ዝኾን የብርህ። ገሊኦም ክሳብ 300 ሰራሕተኛታት የመሓድሩ ዝነበሩ ዓበይቲ ማእኸላት ዕዳጋ፡ ልዕሊ 20 ሚልየን ራንድ ዝተዘመቱ ውልቀሰባት ከም ዘለዉ ዝገልፅ ኣሰግድ፡ \"መሊስና ኣይንኸፍትን\" ክሳብ ምባል ከም ዝበፅሑ ይዛረብ። ኣሰግድ፡ ካብ መፈለምታ መዓልቲ ጀሚሩ እናሃነፅክዎ'የ መጺአ ዝብሎ ትካል ንግዱ፡ ብዝበፅሖ ዝምታ ሙሉእ ብሙሉእ ዓንዩ ምርኣዩ ንመንፈሱ ሰይርዎ'ዩ። \"ካብ ዜሮ ኢኻ ትጅምር፤ ክትጅምር ከለኻ ዋላ ሓደ ከም ዘይብልካ ማለት'ዩ። መንግስቲ ብዝምታ ጉድኣት ንዝበፅሖም ካሕሳ ክህብ'የ ኢሉ ቃል እኳ እንተኣተወ፡ 'እንተሃቡ ንዜጋታቶም'ምበር ንስደተኛ ናይ ምሃብ ዕድል' ትሑት'ዩ\" ይብል። ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ብንግዲ ትመሓደር ወይዘሮ መዓዛ ተስፋየ ብወገና፡ ኣብ እዋን እቲ ናዕቢ ኣዝዩ ዘሻቕልን ዘፍርሕን ኩነታት ተኸሲቱ ከም ዝነበረ ገሊፃ። \"ናብ ናትና ከባቢ መጺኦም ንምዝማት እንትዳለዉ፡ ንኢትዮጵያውያን ሓዊሱ ስደተኛታት ሓቢሮም ምስ ኣባረርዎም ምንቅስቓሶም ደው ኢሉ። ሕዚ ብጣዕሚ ተረጋጊዕና ንሰርሕ ኣለና። ኩሉ ግዘ ዘጋጥም ምዝማት፡ ሓደ ሓደ ጉሓልቲ ናብ ሹቓት ዝኣትውዎ እንተዘይኮይኑ፡ ምንም ነገር የለን\" ብምባል፡ ሕዚ ዝርከብሉ ኩነታት ገሊፃ። ንልዕሊ 17 ዓመት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዝነበረ ዝዛረብ ኣይተ ግርማ ፊጣ፡ ኣብ ትውልዲ ቦታ ጃኮብ ዙማ ዝኾነት ክዋዙሉ-ናታል ዋና ከተማ ፒተማርስበርግ'ዩ ዝነበር። መራሒ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ከምዝኾነ ዝዛረብ ኣይተ ግርማ፡ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ልዕሊ ናብታ ሃገር ዝመፅኡ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት መጥቃዕቲ ይፍፀም ከም ዝነበረን ሕዚ ግና ንኹሉ ዘማእኸለ ምዃኑ ይጠቅስ። \"ናተይ ሰለስተ ትካል ንግዲ ተዘሚቱ'ዩ። እቲ ሓደ ትካል 1 ነጥቢ 8 ሚልየን ብር ዝግመት ኮይኑ፡ እቶም ክልተ ድማ 3 ሚልየን ብር ይግመቱ\" ኢሉ። ኣብ ወሰናወሰን እታ ከተማ ዝነበረ ዝምታ \"ተስፋ ዘቑርፅ'ዩ\" ኢሉ። \"ኣብቲ እዋን ዝነበረ ኩነት ተስፋ ዘስእን'ዩ። ድሕሪኡ ኣብ ዝነበሩ ግዘታት ከመይ ከም እንነብር ክንሓስብን ክንጭነቕን ዝገበረ'ዩ። ሕጉሳት ኣይኮንናን። ቅድሚ ሕዚ'ውን ኣዚና ተሃሲና፣ ተዘሚትና፡ ሰሪሕና ኢና ረኺብናዮ። . . . ናይ ዝሓለፈ ግዘ ግና፡ ተስፋ ዘቑርፅ ናይ ፀልማት ግዘ ነይሩ\" ብምባል ይገልፆ። ወሲኹ \"ኣብዚ ዘለኽዎ ከተማ ምስ ገለ ትካላትን ሰባትን ብምዃን፡ ብጣዕሚ ንዝተጎድኡ 85 ሰባት መሊሶም ክኸፍቱ (ሹቕ) ልቓሕ ኣዳሊና። ገሊኦም ስራሕ'ኳ እንተጀመሩ ዝበዝሑ ግና ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣይጀመሩን። ገሊኦም ብልቓሕ፣ ዘለዎ ድማ ንዘይብሉ ብምትሕግጋዝ፡ ስራሕ ንጅምር ኣለና\" ይብል። ኣብዚ መዳይ ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝሐሸ ድጋፍ ከም ዝግበረሎም ይገልፅ። \"መንግስቲ (ደቡብ ኣፍሪቃ)፡ ንዜጋታት ካሕሳ ክኸፍል'የ ኢሉ'ዩ። ከም ዝፍለጥ ዝበዝሕ ናትና ሰብ ስደተኛ'ዩ። ፍቓድ ንምውፃእ ብዙሕ መስርሕ ስለ ዝሓትት፡ ናትና ሰብ ብዘይፍቓድ'ዩ ዝሰርሕ። ስለዚ ንዓና ዝረድእ ስርዓት የለን\" ክብል ተዛሪቡ። ንልዕሊ 15 ዓመታት ኣብ ስደት ነይረ ዝብል ኮስሞስ ገብረሚካኤል ነባሪ ደርባን'ዩ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ዝተላዕለ ዓመፅን ረብሻን፡ እቲ ዝዓበየ ኣብ ደርባንን ከባቢኡን ከም ዝተኸሰተ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ገሊፁ ኔሩ። መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ኣብ ስራሕቲ ንግዲ ከም ዝተዋፈሩ ዝገለፀ ኮስሞስ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩነታት ከም ዝርከቡ የረድእ። እቶም ናይ መጀመርታ፡ 'ሎኬሽን' ኣብ ዝበሃልን ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ዝነብርሉ ከባብታት ዝሰርሑ'ዮም። ኣብዞም ከባብታት ዝሰርሑ ኢትዮጵያውያን፡ \"ሙሉእ ብሙሉእ ንብረቶም ዓንዩ\" ኢሉ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል። ኣብ ሎኬሽን ንዝሰርሑ ነጋዶ ኣቑሑ ብምቕራብን ብምክፍፋልን ዝሰርሑ ኢትዮጵያውያን ድማ ኣብ ካልኣይ ምድብ ዝርከቡ ኮይኖም ሆቴላት፣ መሸጢ ባህላዊ ኣልባሳትን ግሮሰሪታትን ዝሓቖፉ እዮም። እዚኦም ከኣ፡ ቅድሚ ሕዚ ንካልኦት ዜጋታት ብምፅላእ መጥቃዕቲ (ዜኖፎቢያ) ኣብ ዝፍፀመሉ እዋን ስለ ዝተምሃሩ፡ መብዛሕትኦም ንርእሶም ንምሕላው ተወዲቦም ተንቀሳቒሶም፤ መጠን ዝበፅሖም ጉድኣት ውሑድ'ዩ ይብል። ዓቕሚ ዘለዎምን ኣብ ሳልሳይ ምድብ ዝርከቡን ኢትዮጵያውያን ከኣ፡ ኣብ ዓበይቲ ማእኸላት ንግዲ (ሞላት) ዝነግዱ ኮይኖም፡ \"እዚኦም ሙሉእ ብሙሉእ ንብረቶም ዝሰኣንሉ ኩነታት'ዩ ዘሎ\" ኢሉ። ድሕሪ እዚ ብዛዕባ ዘጋጠመ ነገር እንትዛረብ ድማ፡ ንድሕንነት ይኹን ብስግኣት ብዘይፈለጦ ምኽንያት፡ ኣብ ከባቢ ሙላዚ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ወነንቲ ሹቕ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ንዝንቀሳቐሱ ጉጅለታት ገንዘብ ከም ዝኸፍሉ የረድእ። \"እዞም ሸፋቱ፡ ንባዕሎም ከም ቢዝነስ ማሕበር ብምውዳብ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዝነበረ ዝምታ ብምጥቃም 'ሓበሻ' ንድሕነት ሕብረተሰብና ምእንተ ዘላቒ ፍታሕ፡ መሊስኩም ናይ ንግዲ ትካልኩም ከይትኸፍቱ ብምባል፡ ናይ ምዝማት ኩነታት ኣርእዮም። ደሓር ግና እቲ ፀገም ተፈቲሑ፡ ስራሕ ጀሚሮም። እዞም ሸፋቱ ተኸፈልቲ'ዮም። ኩሉ ግዘ ንናትና ኮሚዩኒቲ ስግኣት'ዮም\" ይብል። ድሕሪ እቲ ዘጋጠመ ዘይምርግጋዕ፡ ወተሃደራትን ፖሊስን ዝተዘመቱ ኣቑሑ ካብ ሓደ ግዝኣት ናብ ካልእ ከይሰጋገር በብመንገዱ ብፍላይ ኣብ ጆሃንስበርግ፣ ፍሪስቴትን ክዋዙሉ-ናታልን መንገዲ ብምዕፃው ይከላኸሉ ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ። \"እንተኾነ ወረቐት ንዘይብሎም ሰባት ይሕዙ ኣለዉ። ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ወረቐት ስለ ዘይብሎም፡ በዚ ምኽንያት ፀገም የጋጥሞም ኣሎ። ናብቶም ከባብታት ብምኻድ እቶም ፀገማት ንምትራፍ ንፅዕር ኣለና\" ይብል ኮስሞስ። ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ እዋን እቲ ፀገም መፅዩ ኔሩ ዝብል ኮስሞስ፡ ነቲ ማሕበረሰብ ካብ ምዝራብን ሞራል ካብ ምሃብን ሓሊፉ ግና ሓገዝ የለን\" ኢሉ። ፕረዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ራማፎሳ፡ ዝተሰልዐ ባጀት ስለ ዘሎ ገንዘብ ክንከፍል ኢና ምባሉ ብምዝኽኻር፡ \"መንግስቲ ዝበዝሕ ግዘ ንዜጋታት ወፃኢ ቃል ብምእታው ዘይትግብረሉ ኩነታት'ዩ ዘሎ። ዝተዘመተን ንብረቱ ዝተቓፀለን ሕብረተሰብ እንተልዩ ኬዝ ኽፈቱ ተባሂሉ'ዩ። ራማፎሳ፡ ነቲ ዝኣተዎ ቃል ይትግብሮ ድዩ ኣይትግብሮን ዝብል ክንርእይ\" ይብል። ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ሽፈራው ተኽለማርያም፡ ቅድሚ ሰሙናት ዝነበረ መጥቃዕቲ፡ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበሩ መጥቃዕትታት ዝተፈለየ ከም ዝኾነ ይሰማማዕ። \"እቲ ናይ ሕዚ ኣብ ዓበይቲ መምረቲ፣ ትካላት ንግድን ቁጠባን ዘነፃፀረ እዩ። ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበረ ብዝተፈለየ ኣብ ዓበይቲ ትካላት ዘድሃበ'ዩ። ዓበይቲ ማእኸላት ዕዳጋ ተዘሚቶም፣ተቓፂሎም፣ ዓንዮም፡ ኣብ ሎኬሽን'ውን እዚ ተፈፂሙ\" ኢሉ ኔሩ፡ ኣብቲ እዋን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል። ካብቲ ማሕበረሰብ ዝለዓሉ መልእኽትታት ብምልዓል ናብ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምብፃሕ፡ ብትኹረት ይሰርሑ ከም ዘለዉ'ውን ገሊፁ። ሕዚ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ብፅሑፍ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ድማ፡ \"ደቡብ ኣፍሪቃ ሙሉእ ብሙሉእ ሰላማዊ ከም ዝኾነን ትካላት ንግዲ ናብ ስራሕ ይኣትዉ ኣለዉ\" ኢሉ። ብሰንኪ እዚ ፀገም ጉድኣት ዘጋጠሞም ኢትዮጵያውያን፡ \"ንሕድሕዶም ብምትሕግጋዝ ዝበዝሑ ናብ ስራሕ ምእታዎም\" ኣመልኪቱ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58659307"} {"headline":"ብቅዲ ናዚ ሰላምታ ዘቕረበት በጻሒት ዓዲ ተቐጺዓ","content":"እታ ሆላንዳዊት ጋሻ ኦስቺዝ-ቢርኬና ኣብ ዝተባህለ ጃምላዊ ጨፍጫፍ ዝተፈጸመሉ ማእከል ብናይ ናዚ ቅዲ ሰላምታ ብምቕራባ ከም ዝተቐጽዐት ፖሊስ ሓቢሩ። ጓል 29 በጻሒት ኣብ ሓደ መእተዊ ኣፍደገ እቲ መዓስከር እያ ከምኡ ዓይነት ምልክት ኣርእያ። ዓቀብቲ ሕጊ፡ እታ ስማ ዘይተጸርሐ ሰበይቲ፡ ናዚ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ናይ ፕሮፖጋንዳ ቅዲ ኣብ ግብሪ ኣውዒላ ኢሎም እዮም ከሲሶምዋ። ነቲ መቕጻዕቲ ከፊላ ከም ዝኸደት ድማ ምፍላጥ ተኻኢሉ፥። ኣብ ፖላንድ ዝርከብ ፒኤፒ ዝተባህለ መራኺቢ ብዙሃን፡ እታ ሰበይቲ ነቲ ተግባር ከም ጻውቲ\/ቀልዲ ከም ዝፈጸመቶ ምግላጻ ሓቢሩ። ኣብቲ እዋን ምስ በዓል ገዛኣ ኾይና’ያ ስእሊ ትሰኣል ነይራ። እዚ ናይ ናዚ ፕሮፖጋንዳ ኣብቲ ከባቢ ሰባት ክጥቀሙ ምርኣይ ናይ መጀመርታ እዋን ኣይኮነን። ብዙሓት ከምኡ ክገብሩ ተታሒዞም ተቐጺዖም እዮም። እቲ ገበን ድማ ክሳብ ክልተ ዓመት ዘእስር እዩ ተባሂሉ። ኣብ 2013፡ ከምኡ ዝገበራ ክልተ ቱርካውያን ተምሃሮ፡ ነፍሲወከፍ ሽድሽተ ወርሒ ዝተቐጽዓ ኾይነን ንሰለስተ ዓመት ድማ ናብቲ ከባቢ ከይኣትዋ ተኣጊደን። ኣብ ምጅማር ካልኣይ ኲናት ዓለም ንፖላንድ ዝተቖጻጸረ ናዚ ጀርመን፡ ኦስወዪዝ ኣብ ዝተባህለት ደቡባዊት ከተማ ፖላንድ እዩ ነዚ መቕተልቲ ዝፍጸመሉ መዓስክር [ዴዝ ካምፕ] ሃኒጹ። ስርዓት ናዚ ጀርመን፡ ኣብዚ መዓስከር ጥራይ ብውሕዱ 1.1 ሚልዮን ሰባት ዝጨፍጨፈ ኾይኑ፡ ካብኣቶም እቶም ኣስታት ሓደ ሚልዮን ኣይሁዳውያን እዮም። ናብቲ መዓስከር ዝተዳጎኑ ግዳያት፡ ብጋዛ ተዓፊኖም፣ ጠምዮም፣ ናብ ሞት ዘብጽሕ ግዱድ ስራሕ ክሰርሑ ተገይሮምን ገሊኦም ድማ ብመድሓኒት ተቐቲሎም። መብዛሕትኦም ኣብቲ መዳጎኒ ብጋዝ ተዓፊኖም ክሞቱ ከም ዝተገብረ መረዳእታታት ይሕብሩ። ኣብቲ ናይ ናዚ ጀርመን፡ ወፍሪ ዓሌት ምጽናት ጀዊሽ [ኣይሁድ] ኣብ ኣውሮጳ፡ ሽድሽተ ሚልዮን ኣይሁዳውያን ከም ዝተቐትሉ ሰነዳት ይሕብሩ። ማእከል ኣስችዊዝ ሓደ ካብቶም ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ዝተፈጸመሎም እዩ። ሰራዊት ሶቭየት ሕብረት ድማ ኣብ 1945 ነቲ ኸባቢ ነጻ ኣውጺኦምዎ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60108046"} {"headline":"ቀዳሞት ሚኒስተራት ነበር ብሪጣንያ፡ ፑቲን ብሓድሽ ዓለምለኻዊ መጋብእያ ክሕተት ጠሊቦም","content":"ቀዳሞት ሚኒስተራት ነበር ዓባይ ብሪጣንያ፡ ጎርደን ብራውንን ሰር ጆን ማጆርን፡ ፕረዝደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ብዝፈጸሞ ገበናት ኲናት፡ ሓድሽ ዓለምለኻዊ መጋብእያ ተጣይሱ፡ ክሕተት ጠሊቦም። እቶም ቀዳሞት ሚኒስትራት፡ ነዚ ሓሳብ ዘሰጉሙ ካብ ዘለዉ 140 ምሁራት፣ ሰብ ሞያ ሕግን ፖለቲካኛታትን መንጎ እዮም። ፕረዝደንት ፑቲን ኣብ ዩክረይን ዝፈጸሞ ጥሕሰት ሕጊ፡ ልክዕ ገበነኛታት ናዚ ጀርመን፡ ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ዝተሓታትሉ ዓይነት መጋባእያ ተጣይሱ፡ ክሕተት እዮም ዝጉስጉስ ዘለዉ። ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት (ICC) ኣብ ልዕሊ ፑቲን፡ ምርመራ ገበናት ኲናት ጀሚሩ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ። ገለ ሰባት ግን፡ እቲ ትካል ከምኡ ኣብ ምግባር ተርኡ ድሩት እዩ ይብሉ። ኣይሲሲ፡ ካብቲ ድምጺ ብድምጺ ውድቂ ናይ ምግባር ስልጣን ዘለዋ፡ ሩስያ፡ ኣባል ዝኾነትሉ፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ፍቓድ ከይረኸበ ክሰርሕ ዘይኽእል ምዃኑ ብምጥቃስ እዮም ከምኡ ዝምጉቱ። እዚ ናይ ሕጊ ክፍተት ንምምላእ፡ ሓድሽ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ምጥያሽ ይካአል እዩ ኢሉ ይሙጉት፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ነበር ሚሰተር ጎርደን ብራውን። ከምኡ ብምግባር፡ ፑቲን ፍትሒ ንምጭፍላቕ ክገብሮ ዝኽእል መገድታት ምዕጻው ይከኣል እዩ በሃላይ እዩ። \"ህዝቢ ዩክረይን ብቓላት ዘይኮነስ ብተግባር ክንበጽሐሉ፡ ክንጎዪ ኣለና። ተሓባበርቲ ፑቲን ድማ፡ እታ መሸንቅቖ እናሰጠመት ትኸይድ ከምዘላ ክነርእዮም ኣለና። ንነፍሶም ካብ ፑቲን ዘየርሕቑ እንተኾይኖም፡ ገበናዊ መቕጻዕትን ማእሰርትን እዩ ዝጽበዮም\" ኢሉ። እቲ ክጣየስ ሓሳብ ዝቐርበሉ ዘሎ ሓድሽ ዓለማዊ ሕጊ መጋባእያ፡ ኣይሲሲ ሕዚ ይሰርሖ ንዘሎ መርመራታት ገበናት ኲናት፡ ተወሳኺ እዩ ተባሂሉ። እቲ ጎስጓስ ዛጊድ፡ ንብዙሓት ፍሉጣት ሰባት ሓዊሱ፡ 740 ሽሕ ሰባት ዝደገፍዎ ኾይ ኣሎ። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻአ ዩክረይንን ሓላፊት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዓባይ ብሪጣንያ ነበር፡ ላዲ ሃል፡ ዝርከብዎም ፊርመኦም ኣንቢሮምሉ ኣለዉ። ፕሮፌሰር ዓለም ለኸ ሕጊ ዝኾኑ፡ ፊሊፒን ሳንድስ፣ ኣብቸ ኑሩምበርግ ኣብ ልዕሊ ገበነኛታት ናዚ ተሐታቲ ዝገበረ መጋባእያ ዓቃቢ ሕጊ ዝነበረ፡ ቤንጃሚን ፍረነዝ ከምኡ'ውን ፕረዝደንት ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣውሮጳ ነበር፡ ሰር ኒኮላስ ብራዣ ድማ ክታሞም ኣዕሪፎምሉ ኣለዉ። ሚስተር ብራውን፡ \"ብሪጣንያ በቲ እትኽተሎ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ትሕበን እያ። ኣብ ኑርምበርግ፡ ንገበነኛታት ናዚ ናብ ሕጊ ቀሪቦም ናይ ኢዶም ክረኸቡ ተገይሩ እዩ ፤ ሕዚ'ውን እዚ መልአኽቲ ልዕልነት ሕጊ ምኽባር ካብ እንግሊዝ ናብ ፑቲን ክበጽሖ ይገበር። ድሕሪ ሸሞንተ ዓሰርተ ዓመታት፡ ሎሚ'ውን፡ ካብ ተሓታትነት ሕጊ ከምዘየምልጥ ብዘየላጢ ክፈልጥ ኣለዎ\" ኢሉ። ኑረምበርግ ትርያል፡ ደድሕሪ ሓንቲ ጀርመናዊት ከተማ ዝተሰየመ ኾይኑ፡ ኣብዚ መጋበእያ፡ ኲናት ናዚ ዝመርሑ፡ ገበናት ኲናት ዝጠሓሱን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ጥፍኣት ዝፈጸሙን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ጠጠው ዝበልሉ እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንፈለማ እዋን፡ ንፕረዚደንት ፑቲን፡ 'ገበነኛ ኲናት' ክብል ሰይምዎ እዩ። መንግስቲ፡ ሩስያ ነዚ ብያነ፡ \"ተቀባልነት ዘይብሉን ይቕረ ዘይበሃሎን\" ክብል ተሓንዩ ኣሎ። ብፍላይ ፕረዝደንት ዩክረይን ዘለንሰኪን ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ፡ ቦሪስ ጆንሰንን ብወገኖም፡ ኣብ ልዕሊ ፑቲን፡ ተመሳሳሊ ርእይቶ ኣስሚዖም ኣለዉ። ሓይልታት ሩስያ፡ ሲቪል ዝነበርሉ ቦታታት ብኸቢድ ብረት ብምጥቃዕ ገበናት ኲናት ከምዝፈጸሙ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ፡ ከተማ ማሪፖል ኣብ ሓደ ተዓቂቦም ዝነበሩ ንጹሃት ግዳይ ደብዳብ ከበድቲ ኣጽዋር እንትኾኑ፡ ነፈርቲ ውግእ ሩስያ፡ ገበናት ኲናት ይፍጽማ ከምዘለዋ ካብ መንግስቲ ዩክረይን ክስታት ይስምዑ ኣለዉ። ነቲ ኲናት ንምፍታሕ፡ ሰላማዊ ዝርርባት ይፍተኑ እንተለዉ'ኳ፡ መንግስቲ ሩስያ 'ንመናውሒ ግዜ' ይጥቀመሎም ከይህሉ ጸሓፊት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሊዝ ተሩስ፡ ንጋዜጣ ታይምስ ስግኣታ ተዛሪባ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60805221"} {"headline":"ብጾታዊ ዓመጽ ብጌጋ ተኸሲሶም ዝጸንሑ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ድሕሪ 72 ዓመታት 'ነጻ' ወጺኦም","content":"ንሓንቲ መንእሰይ ዓሚጽኩም ብዝብል ብጌጋ ተኸሲሶም ዝጸንሑ ኣርባዕተ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ድሕሪ 72 ዓመታት ካብቲ ክሲ ነጻ ተባሂሎም። ንሳቶም ኣብ 1949 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ግሮቭላንድ ፍሎሪዳ ነታ መንእሰይ ከም ዝጨወዩን ከም ዝተጋገሰስዋን እዮም ተኸሲሶም ነይሮም። እቶም ቻርለስ ግሪንሊ፣ ዋልተር ኢርቪን፣ ሳሙኤል ሸፈርድን ኤርነስት ቶማስን ዝተባህሉ ብ 'ግሮቭላንድ ፎር' ዝፍለጡ ሰባት ኣብ ጥሪ 2019 ብክፍለ ሃገር ፍሎሪዳ ምሕረት ተጌሩሎም ነይሩ። እቶም ሰባት ካብቲ ክሲ ነጻ እኳ እንተተባህሉ ሓደ ካብኣታቶም ብህይወት የሎን። ኣብቲ እዋን ዕድሚኦም ካብ 16 ክሳዕ 26 እዩ ነይሩ። ቶማስ ድሕሪ እቲ ፈጺምዎ ዝተባህለ ክሲ ነዊሕ ከይጸንሐ ክርከብ እንከሎ ብብዙሕ ጠያይቲ ተሃሪሙ ተቐቲሉ። እቶም ሰለስተ ካልኦት ከኣ ቅድሚ ናብ ፍርዲ ምቕራቦም ብዙሕ ማህረምቲ ክበጽሖም እንከሎ ገበነኛታት ተባሂሎም ተፈሪዶም ጸኒሖም። ሳሙኤል ሸፈርድ ድሒሩ ንዳግመ-ፍርዲ ናብ ቤት ፍርዲ እናተወሰደ እንከሎ ብፖሊስ ብጥይት ተሃሪሙ ተቐቲሉ። ኢርቪን ኣብ 1954 ክቕተል ተወሲኑ እኳ እንተነበረ ዕድል ጌሩ ሓሊፍዋ፤ ድሒሩ ኣብ 1968 ፍረዱ ብኣመክሮ ንሕልፈት ማእሰርቲ እኳ እንተተቐየረሉ ድሕሪ ሓደ ዓመት ሞይቱ። ንሕልፈት ክእሰር ተፈሪዱ ዝነበረ ግርንሊ'ውን ኣብ 1962 ብኣመክሮ እኳ እንተተፈትሐ ኣብ 2012 ህይወቱ ሓሊፉ። ዳኛ ፍሎሪዳ ንክሲ ኤርነስት ቶማስን ሳሙኤል ሸፈርድን ክስርዝ እንከሎ ንፍርዲ ቻርለስ ግሪንሊን ዋልተር ኢርቪንን ኣደስኪልዎ። ኣባላት ስድራቤቶም ድሕሪ እቲ ዜና ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ እቲ ፍጻመ ኻልኦት ተመሳሰልቲ ብይናት ደጊሞም ክረኣዩ ዘለዓዕል ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጾም። ብታሕጓስ እናነብዐ ዝተዛረበ ወዲ ሓው ንቶማስ ኣሮን ኒውሰን \"ሕጉሳት ኢና። ብዙሓት ሰባት ነዚ ዕድል ስለ ዘይረኸቡ፡ እዚ ጅማሮ ምዃኑ እትስፎ. . . እዛ ሃገር ናብ ሓድነት ክትመጽእ ኣለዋ\" ኢሉ። ኣባል ሰልፊ ሪፓብሊካን ኣኽባር ሕጊ ቢል ጋድሰን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እዩ እቶም ሰባት ብወግዒ ነጻ ክበሃሉ ነቲ ጉዳይ ኣበጊስዎ። ኣብ 2017 መንግስቲ ክፍለሃገር ፍሎሪዳ ንስድራ እቶም ኣርባዕተ ሰባት \"ልባዊ ይቕሬታ\" ክሓትት እንከሎ ናይ ድሕሪ ሞት ምሕረት ክግበረሎም ለበዋ ኣሕሊፉ ነይሩ። ዛንታ ናይ'ቶም ሰባት ኣብ መጽሓፍ 'ዴቪል ኢነ ዘ ግሮቭ' ክዝንቶ እንከሎ እቲ መጽሓፍ ተዓዋቲ ሽልማት ፑልቲዘር 2013 ኮይኑ እዩ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59385576"} {"headline":"ኣባል ናዚ ምንባሩ ዝተጠርጠረ ወዲ ሚእቲ ዓመት ሽማግለ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እዩ","content":"ስሙ ብወግዒ ዘይተገልጸ ወዲ ሚእቲ ዓመት ኣባል ናዚ ጀርመናዊ ብተሓታትነት ቅትለት 3518 ሰባት ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ምዃኑ ተፈሊጡ። እቲ ሽማግለ ካብ 1942 ክሳብ 1945 ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣብ ጥቓ በርሊን ኣብ እትርከብ መዓስከር ብጥይትን መርዛም ጋዝን ቕትለት ከምዝፍጸም ገይሩ ተባሂሉ እዩ ተጠርጢሩ ዘሎ። ዓቃቢ ሕጊ ናይቲ ቦታ እቲ ሽማግለ ኣብ ጥቅምቲ ኣብ ዝውዕል መጋባእያ ቀሪቡ ፍርዱ ክሰምዕ ከምዝኽእል ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ገሊጹ። ብምቕጻል እቲ ኣኽባሪ ሕጊ እቲ ጥርጡር ዋላኳ ዕድመ እንተደፍአ ብዝተገብረሉ ሕክምናዊ መርመራ ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ከምዝኽእል ኣረጋጊጹ። እቶም ናይ ሕጊ ኪኢላታት እቲ ጥርጡር እንተወሓደ ኣብ መዓልቲ ንክልተ ሰዓት ኣብ መጋባእያ ክቐርብ ከምዝኽእል ኣረጋጊጽና ኢና ኢሎም። ነቲ ውሳነ ከኣ ቬልት አም ሶንታግ ዝተባህለ ጀርመናዊ ጋዜጣ ኣብ ዓምድታቱ ኣውጺኡዎ። እቲ ጋዜጣ ቶማስ ዋልተር ንዝተባህለ ናይ ሕጊ ጠበቓ ብምጥቃስ ከምዝጸሓፎ መብዛሕቶም እቶም ከሰስቲ ልክዕ ከምቲ ክሱስ ዕድመ ዝደፍኡ እዮም ክብል ተዛሪቡ። መራኸቢ ብዙሃን ጀርመን እዚ መጋባእያ እዚ መጨረሻ ናይቲ ኣሰቃቒ ወረ ናዚ እዩ ክብላ ይገልጸኦ። ኣብ ዘበነ ናዚ ገበን ዝፈጸሙን ዝተፈጸሙን ሰባት ደጊም ዕድመ ደፊኦም እዮም። ካብ 1936 ክሳብ 1945 ዓመተ ምሕረት ኣብ ዝነበረ ግዜ ካብ 200 ሽሕ ንላዕሊ እሱራት ኣብ መዓስከር ሳችሴንሃውሰን ተኣሲሮም ነይሮም። ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት ኣብ ኵናት ዝተኣስሩ ሰባት ከምኡ እውን ብናዚ እተፈርዱ ጉጅለታት ኤስኤስ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ናይ ጀርመን ናይ ጸጥታን ስለያን ድርጅት ተታሒዞም ጸኒሖም። እቲ ሕጂ ናብ ሙዜም ተቐይሩ ዘሎ ቤት ማእስርትን ማእከል ቅትለትን ዝነበረ መዓስከር ሳችሴንሃውሰን ከምዘረጋግጾ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ እሱራት ብዘጋጠሞም ሕሱም ጥሜት ሕማምን ምዝመዛ ጉልበትን ሞይቶም። ቅድሚ 10 ዓመት ጀርመን ንሓደ ኣብ መዓስከር ናዚ ተሓባባሪ ጃምላዊ ህልቂት ነይሩ ዝበለቶ ሰብ ከምዝፈረደት ይዝከር። ዋላ’ኳ እቲ ክሱስ ይግባይ ብምሕታቱ ዝተወሰነሉ ፍርዲ ከይሰምዐ እንተሞተ እቲ ውሳነ ከቢድ ምንባሩ ይዝረብ። ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ መጋባእያ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ነቶም ምስ ናዚ ይተሓባበሩ ነይሮም ኢሎም ዝኸሱ ሰባት እቶም ክሱሳት ኣብቲ ፍጻሜ ከምዝነበሩ ዘረጋግጽ ጭብጥን መረዳእታን ከቕርቡ ግዴታ እዩ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓደ ወዲ 93 ዓመት ሓላው መዓስከር ናዚ ነበር ሽማግለ ኣብ ቅትለት ልዕሊ 5ሽሕ ሰባት ተሓባባሪ ነይሩ ብዝብል ክሲ ተፈሪዱ ነይሩ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58070898"} {"headline":"ኦሮሚያ፡ ኣብ ምብራቕ ወለጋ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰባት ከምዝሞቱን ገዛውቲ ከምዝተቓጸሉን ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ወረዳ ጊዳ ኣያና፡ ነጌሶን ሃሮ ኣያናን ኣብ ዝተባህሉ ቀበሌታት ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ሰባት ከምዝተቐተሉን ገዛውቲ ከምዝተቓጸሉን ነበርቲ እቲ ከባብን ሰብ መዝን ንቢቢሲ ተዛሪቦም። ኣመሓዳሪ ወረዳ ጊዳ ኣያና ኣቶ ኣዳነ ኣላምረው፡ ኣብ ቀበሌታት ነጌሶን ሃሮ ኣያናን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉን መንበሪ ኣባይቲ ከምዝተቓጸሉን ገሊጹ። ብተወሳኺ ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ጸገም ጸጥታ ናብቲ ከባቢ ከይዶም ናይቲ ዝበጸሐ መጠን ጉድኣት ክፈልጡ ከምዘይከኣሉ ሓቢሩ። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ብወገኖም በቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተፈጺሙ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ካብ ሸሞንተ ዘይውሕዱ ሰባት ከምዝተቐተሉ ኣፍሊጦም። ቤት ጽሕፈት ኮምዩኒኬሽን እቲ ወረዳ ብኣቆጻጽራ ግእዝ 9 ለካቲት 2014 ዓ\/ም ኣብ ፌስቡክ ገጹ ኣብ ዝጠቀዖ ሓበሬታ፡ ነቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዕጡቓት \"ብሄር ኣምሓራ\" ተሓተትቲ ገይሩ ነይሩ። እቲ ከባቢ ኣቐዲሙ እውን \"ናይ ጸላኢ ዞባ እዩ\" ዝበለ ሓላፊ ምምሕዳርን ጸጥታን እቲ ወረዳ ኣቶ ምስጋና ሞርካ፡ ኣብቲ ከባቢ \"ኦነግ ሸኔን ሕሉፋት ዕጡቓት ኣምሓራን\" ከምዝንቀሳቐሱ ተዛሪቡ። \"ናብቲ ቦታ ኬድና ነቲ ዝተፈጠረ ክነጻርይ ኣይከኣልናን። እቲ ዘለና መረዳእታ ግና ሕሉፋት ኣምሓራ ተኹሲ ከፊቶም ጉድኣት ኣብጺሖም ዝብል እዩ\" እውን ኢሉ። እቲ ኣመሓዳሪ እቶም ሕሉፋት ክብል ዝገለጾም ዕጡቓት ኣምሓራ መን ከምዝኾኑን ካበይ ከምዝመጹን ዝርዝር መብርሂ ኣይሃበን። ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ፡ ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ድማ ኣብ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ዓሌት መሰረት ዝገበሩ ቅትለት፣ ዕንወት ንብረትን ተደጋገምቲ ምፍንቓላትን ልሙዳት ኮይኖም ጸኒሖም። ተወለድቲ ኣምሓራ ዒላማ ንዝገበሩ መጥቃዕቲታት፡ መንግስትን እቶም ግዳያትን ንባዕሉ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ኢሉ ንዝጽውዕ ጉጅለ እዮም ተሓታቲ ዝገብሩ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ብሄር ኦሮሞ ዝበጽሕ ሞትን ዕንወት ንብረትን ድማ ዕጡቓት ኣምሓራ እዮም ንዝብሉዎም ተሓተትቲ ይገብሩ። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዞባ ምዕራብ ሸዋ፡ ኣብ ወረዳ ኖኖ ኣብ እትርከብ ቀበሌ ጫንጮ፤ መንግስቲ ሸኔ ኢሉ ዝጽወዖ ጉጅለ ፈጺምዎ ብዝተባህለ መጥቃዕቲ ልዕሊ 20 ተወለድቲ ኣምሓራ ከምዝተቐተሉ ኣባላት ቤተሰብ እቶም ግዳያት ንቢቢሲ ተዛሪቦም። ድሕሪ ሓደ ወርሒ 23 ጥሪ 2014 ድማ ዕቱቓት ኣምሓራ ወሲዶምዎ ብዝተባህለ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ 13 ተወለድቲ ብሄር ኦሮሞ ከምዝተቐተሉን 97 ገዛውቲ ከምዝተቓጸሉን ነበርትን ሰብመዚ እቲ ከባብን ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም። ኣመሓዳሪ ወረዳ ጊዳ ኣያና ኣቶ ኣዳነ ኣላምረው ከምዝብሎ፡ ኣብቲ ወረዳ ካብ 'ኦነግ ሸኔ' ን ' ዕጡቓት ኣምሓራን ብተወሳኺ፡ ካብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዝመጽእ ዕጡቕ ጉጅለ ጸገም ይፈጥር እዩ ዘሎ። ብተወሳኺ ብሰንኪ እቲ ዘሎ ጸገም ጸጥታ እቶም ሰብ መዚ ናብቶም መጥቃዕቲ ዝፍጽመሎም ከባቢታት ክጓዓዙ ከምዘይክእሉ ሓቢሩ። ኣብቲ እቶም ዕጡቓት መጥቃዕቲ ዝፍጽሙሉ ከባቢ መንግስታዊ መሓውር ከምዘየለ ዝሕብር ኣቶ ኣዳነ፡ ነቲ ከባቢ \"ኦነግ-ሸኔ እዩ ሒዝዎ ዘሎ\" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60464488"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ካብ ጂቡቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝወስድ መስመር ባቡር ከምዝተዓፀወ ተገሊፁ","content":"ካብ ጂቡቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝወስድ ቀንዲ ንግዳዊ መስመር ባቡርን ዋና መገድን ከምዝተዓፀወ ተገሊፁ። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ሙስጠፌ መሓመድ ዑመር ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ መስመር ባቡርን ዋና መገድን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ሶማሌ ንዝበፅሐ መጥቃዕቲ ብዝቃወሙ መናእሰያት እቲ ከባቢ እዩ ተዓፅዩ ኢሉ። እቲ ዋና መስመር ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝጓዓዙ ዝተፈላለዩ ሸቐጣት ቀንዲ መተሓላለፊ መስመር እዩ። መንግስቲ ፌደራል ኣብ ምዕፃው እቲ መስመር ባቡርን ዋና መገዲ ተሽከርከርትን ኣመልኪቱ ዛጊድ ዝበሎ ነገር የለን። እቲ ርእሰ ምምሕዳር ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ናይ ጎረቤት ክልል ዓፋር ምልሻ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀሙን ንብረት ከምዝዓነወን ሓቢሩ። ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ መዳውብቲ ክልል ዓፋርን ሶማሌን ሕቶ ይግበአኒ ኣብ ዝለዓለሉ ቦታ \"ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፡ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰባት ከምዝተቐተሉ\" ምክትል ሓላፊ ኮምዩኒኬሽን ክልል ሶማሌ ኣይተ መሓመድ ሮብሌ ንቢቢሲ ገሊፁ። ኣብ ትሕቲ ክልል ዓፋር ኣብ ዝርከብን ብዙሓት ተወለድቲ ሶማሌ ኣብ ዝነብርሉን ከተማ \"ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 300 ሰባት ተቐቲሎም\" ክብል እውን ጠቒሱ። ምዕፃው እቲ መስመር ባቡርን ኣውራ መገድን ዝገልፁ ብዙሓት ስእልታትን ተንቀሳቐስቲ ምስልታትን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሑ እንትኾኑ፡ እቶም ስእልታት ተቓወምቲ ነቲ መስመር ባቡርን ቀንዲ መገድን ብእምንን ሓመድን ዓፅዮም የርእዩ። ነቲ ዝተባህለ ቅትለት ዝተቓወሙ ተወለድቲ ሶማሌ፡ ነቲ መስመር ባቡር ከምዝዓፀውዎ ጸብጻባት ይገልጹ። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ፡ ኣብ ጉዳይ ምዕፃው መስመር ባቡርን መገድን፡ \"ምስ መናእሰይን ህዝብን ንዘራረብ ኣለና። እቲ መገድን መስመር ባቡርን ሎሚ ንክኽፈት ንሰርሕ ኣለና\" ክብል ንሮይተርስ ሓፂር ናይ ፅሑፍ ምላሽ ከምዝሃበ እቲ ማዕኸን ዜና ፀብፂቡ። ቢቢሲ ዘዘራረቦ ምክትል ኮምዩኒኬሽን ክልል ሶማሌ ኣይተ መሓመድ ብወገኑ፡ \"መጥቃዕቲ ተፈፂምሉ ዝበሎ ከተማ ገብረኢሴ ሓዊሱ፡ ከተማታት ፎናን ኣደይቱን ብክልቲአን ክልላት ናይ ይግበአኒ ሕቶ ዝለዓለለን ምዃኑ ገሊፁ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ መንቀሊኡ እቲ ኣብ ሞንጎ እተን ክልተ ክልላት ዝፀንሐ ምስሕሓብ ምዃኑ እውን ተዛሪቡ። ኣብ ሞንጎ ክልል ዓፋርን ሶማሌን ናይ ይግበአኒ ሕቶ ኣብ ዝለዓለሎም ቦታታት ተደጋጋሚ ጎንፅታት ምውልዖም ይዝከር። ቢቢሲ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳም ተወሊዑ ዝተብሃለ ሓድሽ ጎንፂ ካብ ክልል ዓፋር ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57988178"} {"headline":"ኵናት ዩክረይን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዘጋጥሙ ውግኣት ስለምንታይ ብዝተፈለየ መገዲ ይረኣዩ?","content":"ኣልጀሪያዊ-ካናዳዊ ጋዜጠኛ ማሄር መዛሂ እቶም ኣብ ኣውሮጳን ኣፍሪቃን ዝካየዱ ኲናት ዝረኣዩሉ መገዲ ብዝምልከት ትዕዝብቱ ኣቐሚጡ'ሎ። ኩላህና ማዕረ ኢና፤ ግን ከኣ ገሊኦም ካብ ካልኦት ብዝያዳ ማዕረ እዮም። እዚ ናይ ጆርጅ ኦርዌል [እንግሊዛዊ ጸሓፊ፣ ጋዜጠኛን ነቓፍን] ብሂል ብፍላይ ኣብ ኣፍደገ ሕብረት ኣውሮጳ ኲናት ከጋጥም ከሎ ብተግባር ዝረኣይ ጉዳይ'ዩ። ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ብስፍሓት ክኹነን ምርኣይ ግቡእ እንተኾነ'ኳ፡ ሓያላን መንግስታት እቲ ኲናት ደው ንኽብል ዝገብርኦ ዘለዋ ሓበራዊ ምርብራብ ብገምጋም ኣፍረካ ክረኣይ ከሎ ግን፡ ዘገርምን ዘተሓሳስብን ይኸውን። ብሓደ ወገን፡ ማዕቐባት ምንባርን ንብይናት ሕቡራት ሃገራትን ተቐባልነት ክህልዎም ግድን'ዩ። ምኽንያቱ ብሰንኪ'ቲ ብኣፅዋር ኒኩሌር ተሓጊዙ ኣዝዩ ሰፊሕ መቕዘፍቲ ዘኸትል ኲናት ክርእይ ዝደልይ ኣካል የለን። ብኻል ገጽ ድማ፡ ኩሎም ብኣጽዋር ተሓጊዞም ዝካየዱ ኲናት ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ ንዘጋጥሙ ፍታሕ ንምምጻእ ብማዕረ ናይ ዘይምርኣይ ጸገማት ብቕሉዕ ይረኣይ። ብርግጽ ተሻቒልናለና ዝብሉ መግለጺታት ምስማዕ ከምኡ'ውን ፍሉያት ልኡኻት ምስዳድ ልሙዳት'ዮም። ግን ከኣ መራሕቲ ዓለም በቢሽዑ ናብ መሳኹቲ ቴሌቪዥን እናተቐልቀሉ መግለጺታት ክህቡን ሓገዝ ንምሃብ ቃል ክኣትዉን ኣይረኣዩን። ኣብ ኢትዮጵያ እቶም ዝሓለፉ 16 ኣዋርሕ ሲኦላዊ ኩነታት ዝተረኣየሎም እዋና'ዮም። ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፍል ልዕሊ 2 ሚልዮን ደባት ካብ መረበቶም ክፈናቐሉ ተገዲዶም ኣለዉ። ብተወሳኺ ድማ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ንሓደጋ ጥምየት ተቓሊዖም ይርከቡ። መንግስቲ እታ ሃገር ከኣ እቶም ኣገደስቲ ዝኾኑ ረድኤት መግብን መድሓኒታትን ናብ ትግራይ ከይሓልፉ ብምዕጻው ይኽሰስ። ብወገኑ ግን ነዚ ክሲ ይነጽጎ። ጃምላዊ ቅትለትን ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም መሳርሒ ኲናት ናይ ምጥቃም ተግባርን ዝሓወሰ ገበናት ኵናት ብኹሎም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት ከምዝተፈጸሙ ዘመልክቱ መረዳእታታት ኣለዉ። ብመንጽር እቲ ዝበጽሕ ዘሎ ሰብኣዊ ስቅያት ክረአ ከሎ፡ ካብ ሞንጎ ንቐልቢ ዓለም ዝሰሓቡ ጉዳያት ልዕሊኡ ክስራዕ ዝኽእል ኣይክህልውን። ካልኦት ብዙሕ ዘይተዘርበሎም ብዙሓት ጎንጽታት እውን ኣለዉ። ወርሒ ጥሪ ብምኽንያት ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ካሜሩን እየ ኣሕሊፈዮ። ዝበዝሑ ግጥማት ኣብ ከተማ ሊምቤ እዮም ተኻይዶም። ግጥማት ክህልዉ ከለዉ ናብታ ከተማ ዝግበር ጉዕዞ ኩልጊዜ ብወጥርታት ዝተዓጀበ ነይሩ። ኣብ ሞንጎ ተነጸልቲ ሓይልታት ዝውልዕዎ ጎንጺ'ዩ ዝካየድ። ኣዝዩ ጥቡቕ ሓለዋ ይካየድ ነይሩ። ኣብ ነብሲ ወከፍ ኪሎሜትር፡ ገጾም ዝተሸፈኑ ኣባላት ህጹጽ ብርጌድ ዝኾኑ ወተሃደራት ብኸፊል-ኣውቶማቲክ ጠበንጃ\/ብረት ኣብ ወተሃደራዊ መኻይን ኣቀባቢሎም ክንቀሳቐሱ ይረኣዩ። ቱኒዝያን ማሊን ንናይ ምድብ መጻረዪ ዘካይድኦ ግጥም ንምርኣይ ኣብ ዝተበገስኩሉ ሓደ ንጉሆ፡ ኣስታት 20 ኪሎሜትር ርሕቐር ኣብ ቡኢይ [ዋና ከተማ ክልል ሰሜን ምዕራብ ካሜሩን] ተኹሲ ነይሩ። ባስተር ክሪችነት ዝተባሃለ ዴንማርካዊ መሓዛይ ኣብታ ከተማ ገለ እዋናት ጸኒሑ ነይሩ። ተመሊሱ ምስተራኸብና \"ማሄር፡ ናይ ብሓቂ ኲናት ይካየድ ኣሎ\" ክብል ኣዒንቱ ፈጢጠን ነጊሩኒ። \"ቀሊል ግጥም ኣይኮነን። ሆስፒታላትን ኣብያተ ትምህርትን ተዓጺዮም ሪኤ። ሰባት ብሓቂ ይሳቐዩ ኣለዉ\" ኢሉኒ። ብርግጽ ኣብዚ ኣብ ቢቢሲን ካልኦት ዓለምለኻዊ ማዕኸናት ዜናን ብዛዕባ ኢትዮጵያን ካሜሩንን ጸብጻባት ይዝርግሑ ነይሮም'ዮም። ግን ከኣ ኣበይ ኣሎ እቲ ኣዝዩ ሰፊሕ ቁጠዐ? ስለምንታይ'ያ ዓለም ነቲ ኣፍሪቃውያን ዘሕልፍዎ ዘለዉ ስቅያት ብዝምልከት ሻቕሎታ ክተርእይ ዘይከኣለት? ኣብዚ ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት እዮም ዝቐርቡ። እቲ ጉዳይ ምስ ዘርኣውነት ዝተሓሓዝ ኣይኮነን ዝበሃል እተደኣኮይኑ፤ ነቶም ብገለ ኣብ ኣውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን ዝርከቡ ማዕኸናት ዜና ዝወጽኡ ጸብጻባት ምርኣይ የደልይ። ሓደ ኣቕራቢ ዜና እቶም ካብ ዩክሬን ዝወጽኡ ዘለዉ ስደተኛታት \"ሃፍታማት፣ ኣብ ማእኸላይ መነባብሮ ዝርከቡ እምበር ካብ ማእኸላይ ምብራቕ ወይ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝነቐሉ ስደተኛታት ኣይኮኑን\" ክብል ይገለጽ። እዚ ነዓይ ዘተሓሳሰበኒ ዘረባ ነይሩ። እተን ዝበዝሓ ዘረኣኽወን ሃብታማት ዝበሃላ ሃገራት መብዛሕቲኤን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝርከባ'የን። እቲ ካልእ ትርጉም ኣልቦ ዘረባ ከዓ ሓደ ሙሁር ኣብ ናይ ፈረንሳ ቴሌቪዥን ቀሪቡ፡ ዩክሬናውያን ምስ ፈረናሳውያን ማዕረ ከምዝኾኑ ንምግላጽ \"ከምተን ንሕና ንዝውረን መኻይን እዮም ዝሕዙ\" ዝበለሉ ኣጋጣሚ'ዩ። ኣነ ከዓ ምስታ ዘለኹላ ኣልጀርያን ካልኦት ኣብዚ ዞባ ዝረኣኽወን ሃገራትን ብምትሕሓዝ ክሪኦ ከለኹ፡ ንነብሰይ \"ምስ ዩክሬናውያን ማዕረ ዲና?\" ክብል ሓቲተ። ኣብ ኢንተርኔት ዝገበርክዎ ሓጺር ዳህሳስ ከኣ፡ ኣብ ዩክሬንን ኣልጀርያን ኣዝዩ ተመሳሳሊ ዝኾነ ናይ ኢኮኖምን ሰባትን ዕብየት ዘመልክት ኩነታት ከምዘሎ ኣረጋጊጹለይ። ክልቲኤን ሃገራት ልዕሊ 40 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ክህልወን ከሎ፤ ዩክሬን ብሓፈሻዊ ሃብቲ ዓዲ ኣብ መበል 55 ክትስራዕ ከላ፤ ኣልጀርያ ድማ መበል 58 ኣላ። ዩክሬን ብወተሃደራዊ ጥንካረ ኣብ መበል 22 ትርከብ። ኣልጀርያ ድማ መበል 31 ኣላ። ስለዚ ንምንታይ ደኣ ሰባት፡ ዩክሬናውያን ካብ ሰሜን ኣፍሪቃውያን ብዝበለጸ \"ሃብታማት\" ወይ \"ማእኸላይ መነባብሮ ዘለዎም\" ከምዝኾኑ ይዛረቡ? ስለምንታይ ኣፍሪቃውያን ፅቡቓት መኻይን ክዝውሩ ከምዝኽእሉ ምግማት ዘይተኽኣለ? ኣብ ኣልጀሪያ ልክዕ ከምተን ኣብ ፈረንሳይ ዘለዋ መኻይን ይዝወራ እየን። ንምንታይ ኢና ኩላህና ነቶም ኣብ ኢትዮጵያን ካሜሩንን ዘለዉ ኲናት ዘይኮነስ ናብ ጉዳይ ዩክሬን ገጽና ኣዚርና ዘለና። ኩሎም ሰባት ማዕረ እዮም፤ ኲናት ድማ ኣብ ኪየቭ ይሃሉ ኣብ ለንደን ወይ ኣብ ቦጋታ ወይ ኣብ ቡይ ኲናት ኲናት'ዩ። ነቲ ኣብ ሞንጎ ሰባት ኣፈላላያት ብምፍጣር ንዋጋ ህይወት ሰባት ደረጃታት ዘውጽእ ዘይቅኑዕ ኣካይዳ ክነዕርዮ ይግባእ። ኩላህና ማዕረ ክንኸውን ኣለና።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60644176"} {"headline":"ደቡብ አፍሪቃ፡ ብሞት ጅግና ተቓላሳይ ሊቀ-ጳጳስ ዴዝሞን ቱቱ ናይ 7 መዓልታት ሓዘን ኣዊጃ","content":"ደቡብ አፍሪቃ፡ ሕልፈት በቲ ብፍላይ ኣንጻር -ኣፓርታይድ ብካየድዎ ቃልስን መሪሕነትን ኣዝዮም ዝሕበንሉ፡ ወዲ 90 ዓመት ሊቀ-ጳጳሳት ዴዝሞን ቱቱ ምዝካር ናይ ሓደ ሰሙን ናይ ሓዘን ስነ-ስርዓት ኣዊጃ ኣላ። ቱቱ፡ ብመንግስታዊ ሃገራዊ ስነ ስርዓት ቀብሪ ከምዝቕበሩን፡ ቅድሚኡ ግና ኣብ ከተማ ኬፕታውን ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ምፍናው ስርዓት ክግበረሎም እዩ። ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ፍራንሲስ፣ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፣ ከምኡ'ውን ንግስት ኤልሳቤጥን ካልኦት ዓበይቲ መራሕቲ ዓለምን ብሞት እቶም ጳጳስ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊጾም። ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎዛ ኣብ መግለጺኡ፡ ዴዝሞን ቱቱ \"ናጻ ዝኾነት ደቡብ አፍሪቃ ንምፍጣር ብዙሕ ለፊዑ\" ኢሉ። “ካልእ ናይ ሓዘን ምዕራፍ ኣብ ሃገርና” ክብል ንሞት ዴዝሞንድ ቱቱ ኣመልኪቱ ዝተዛረበ ፕረዚደንት ራማፎዛ፡ \"ሓደ ካብቶም ናጽነታ ዝተኣወጀ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ምውራስ ዘይርሳዕ እጃም ዝነበሮም ዜጋታት\" እታ ሃገር ከምዝነበሩ ጠቒሱ። ቱቱ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኮነ ብደረጃ ዓለም ካብ ሞንጎ ዝለዓለ ዓቢ ዝና ዝነበሮም ፍሉጣት ሰባት ሓደ ነይሮም። ዴዝሞን ቱቱ፤ ብ1984 ኣፓርታይድ ንምቅላስ ብዝገበርዎ ኣበርክቶ ሽልማት ኖቤል ተዋሂብዎም። ሕልፈት ቱቱ፡ ደቡብ አፍሪቃውያን ንሃገራዊ ጀግናታት ኣብ ኬፕታውን ቅዱስ ጊዮርጊስ ካቴድራል ጠጠው ኢሎም ምስ ገለጹ ድሕሪ ሕደ ሰሙን እዩ ኣጋጢሙ። ብሬንት ጎልያድ ዝተብሃለ ሓዘንተኛ፡ \"ሎሚ ንጎሆ ሕልፈቶም ምስ ሰማዕኩ ኣዝየ ስምዒታዊ ኾይነ ነይረ\" ክብል ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን \"ብሞት ሓቀኛ ናይ እግዚኣብሄር ሰብን ኣገልጋሊ ህዝብን ልበይ ተሰይሩ ኢሉ። ኣበርክቶ ቱቱ ዶባት ዝሳገርን ንዘመናት ክቃላሕ ዝነብርን እዩ\" ኢሉ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ብወገኑ\"መምህር፣ ዓርኪ ከምኡ'ውን በዓል ርቱዕ ሕልና\" ክብል ገሊጽዎ። ንግስቲ እንግሊዝ ኤልዛቤት ብወገና፡ ዴዝሞን ረኺባ ኣብ ዘዘራረበትሉ 'ወርቃዊ' ዝበለቶ እዋን፡ ንሶም ተጻዋትን ተዋዛይን ምንባሮም ገሊጻ። “ሕልፍት ሊቀ-ጳጳስ ዴዝሞን ቱቱ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ሓሊፉ ኣብ መላእ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ኣብ ሰሜን አየርላንድ ከምኡ'ውን ኣብ ኣባል ሃገራት ማሕበር ኮመን ዌልዝ ሓዘን ፈጢሩ እዩ\" ኢላ እታ ንግሰቲ። ጳጳስ ፍራንሲስ ብወገኖም ንኣባላት ስድረኦምን ንፈተውቶምን 'ፅንዓት ይሃብኩም' ዝብል መግለጺ ልኢኾም። ከምኡ'ውን ፋውንዴሽን ኔልሰን ማንዴላ ብሕልፈት ቱቱ ዝተሰመዖ ሐዘን ገሊጹ። \"ቱቱ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ኣብ መላእ ዓለም ኢ-ፍትሓዊነት ተሪሮም ተቐሊሶም እዮም። እዚ ድማ ነጻነት ወድ ሰብ ካብ ዓᎁቕ ግንዛበ ዝመንጨወ እዩ። ዝተፈለየ መራሒ፣ ርህሩህን ግዱስን ነይሩ\"ኢሉ እቲ ፋውንደሽን ኣብ መግለጺኡ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59752514"} {"headline":"ማክሮን፡ ኣብ 1961 ኣብ ፓሪስ ኣብ ልዕሊ ኣልጀርያውያን ዝተፈፀመ 'ጃምላዊ ቅትለት' ኮኒኑ","content":"ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ነቲ ቅድሚ 60 ዓመታት ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ ልዕሊ ኣልጀራውያን ሰልፈኛታት ብፖሊስ እታ ሃገር ንዝተፈፀመ “ይቕረ ዘይበሃል ገበን” ኮኒኑ። ቅድሚ 60 ዓመታት 17 ጥቅምቲ 1961 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ፖሊስ ፈረንሳይ ተቓውሞ ሰልፊ የካይዱ ዝነበሩ ኣልጀርያውያን ንምንምብርካኽ ሓይሊ ተጠቒሙ። ንገሊኦም ተኩሱ ቀቲልዎም ካልኦቶም ድማ ኣጥሒሉ ቀቲልዎም። ብልክዕ ቁፅሪ ግዳያት እኳ ምፍላጥ እንተዘይተኽኣለ፡ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ኣልጀርያውያን ህይወቶም ስኢኖም ክኾኑ ከምዝኽእሉ’ዩ ዝግለፅ። ኢማኑኤል ማክሮን፡ ኣብታ ዕለት እቲኣ ንዝተፈፀሙ ገበናት ብወግዒ ዝተኣመነ ፈላማይ ፕረዝደንት ፈረንሳይ እዩ። ዝኽሪ እቶም ግዳያት፡ ነቲ ኣብ 1961 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ ልዕሊ ኣልጀራውያን ጥራሕ ንዝተነበረ ናይ ምሸት እገዳታት ንምቅዋም ሕመረት ኣብ ዝኾነ ሩባ ሲን ዝተኻየደ እንትኾን፡ ፕረዝደንት ማክሮን’ውን ኣብቲ ዝኽሪ ተረኺቡ’ዩ። ኣብ መበል 60 ዓመት ዝኽሪ እቶም ግዳያት ቅትለት ዝተረኸበ ማክሮን፡ ንኣዝማድ ግዳያት፡ እቶም “ገበናት” በቲ ነውራም ኣዛዚ ፖሊስ ማውሪስ ፓፖን ትእዛዝ’ዩ ተፈፂሙ ኢልዎም። ፓፖን ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም፡ ኣይሁዳውያን ናብቶም ናይ ሞት መዓስከራት ናዚ ክሰግሩ ምስ ሓይልታት ናዚ ከምዝተመሻጠረ ኣብ 1980ታት ተቓሊዑ’ዩ። ቤት-ፅሕፈት ፕረዝደንት ማክሮን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ እቲ ኣብ 1961 ዝተኻየደ ምጭፍላቕ፡ “ ኣረመንያዊ፣ ሕሱምን ደማውን’ዩ ኔሩ” ኢሉ። ሻቡ 12 ሽሕ ኣልጀራውያን ተኣሲሮም፣ ብዙሓት ቆሲሎምን ኣእላፍ ዝቑፀሩ ድማ ተቐቲሎም፡ ኢሉ፡ መግለፂ ቤት-ፅሕፈት እቲ ፕረዝደንት። ነጠፍቲ ግና፡ ልዕሊ እዚ ተሪር ተኣምኖን ተሓታትነትን ክህሉ እዮም ዘተስፍዉ። ማክሮን፡ ቤት-ፅሕፈቱ ካብ ዝሃቦ መግለፅን ኣብቲ ዝኽሪ ተረኺቡ ብሓፂሩ ይቕረታ ካብ ምባል ብዝዘለለ፡ ወግዓዊ መደረ ኣየስመዐን። ኣብቲ ፀረ-ዓሌታውነት ዝንቀሳቐስ ማሕበር ‘Africa93 anti-racism association’ ትነጥፍ (ትሰርሕ) ሚሞና ሓጃም ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ መግለፂ እቲ ፕረዝደንት “ጽቡቅ ስጓመ እምበር ሙሉእ ኣይኮነን፤ ልዕሊ እዚ ኢና ንፅበ” ኢላ። “ፓፖን በይኑ ኣይኮነን ፈፂምዎ። ኣብ ማእኸል ፓሪስ ሰባት ተሳቕዮምን ተቐቲሎምን’ዮም” ብምባል “ሃገራዊ ገበን” ክበሃል ድማ ፀዊዓ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58944738"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ሳማንታ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝወሃቡ ሰብኣዊ ክብሪ ዝትንክፉ ርእይቶታት ተሻቒለ ኢላ","content":"ሓላፊት ሰብኣዊ ረድኤት ኣመሪካ (ዩኤስኤይድ)፡ ዓሌታዊ ጎንጺ ዘለዓዕሉ ቃላት ምጥቃም ዘለዎ ሓደጋ ኣመልኪቱ ዘለዋ ሻቕሎት ንሰብሰልጣን ኢትዮጵያ ከም ዝሓበረቶም ገሊጻ። እታ ሓላፊት ኣብ ሱዳን ዝነበራ ዑደት ዛዚማ ትማሊ ናብ ኢትዮጵያ ብምኻድ ምስ ሰብ መዚ ሚኒስትሪ ሰላም ከም ዝተዘራረበት ተገሊጹ። ሳማንታ ፓወር፡ \"ሰብኣዊ ክብሪ ዝቕንጥጥ\" ዘረባ ወጥሪ ዘጋድድን ብዙሕ ግዘ ድማ ዓሌት መሰረት ዝገበሩ ግፍዒታት ክፍጸሙ ዘለዓዕልን እዩ\" ኢላ። ንሳ፡ ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቐረቡላ ሕቶታት ምላሽ ትህበሉ ኣብ ዝነበረት መድረኽ እያ ነዚ ስክፍታኣ ገሊጻ ዘላ። ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፡ ንተወለድቲ ትግራይ ዘነኣእስ ቃላት ብምጥቃም ክኽሰሱ ጸኒሖም እዮም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ቀረባ እዋን ንመራሕቲ ህወሓት ክንቀሉ ዘለዎም \"መንሽሮ\" ን \"ጽህያይን\" እዮም ብምባሉ ብዙሕ ነቐፌታ በጺሕዎ ነይሩ። ሰብመዚ ግና እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከምኡ ዝበለ ንህዝቢ ትግራይ ኣይኮነን ብምባል ክከላኸልሉ ፈቲኖም። ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ጨፍጫፍን ጾታዊ ዓመጽን ከም ዝተፈጸሙ ዝገልጹ ጸብጻባት ወጺኦም እዮም። ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ድማ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ጃምላዊ ማእሰርቲ ይፍጸም ከም ዘሎ እዮም ዘጠንቅቑ፡፡ እንተኾነ መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዓሌት ዘይተመርኮሰት ውህድቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምህናጽ ይዕወት ከም ዘሎ እዩ ዝገልጽ። ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ግን ኣሽሓት ከም ዝሞቱ ይግመት፤ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚሊየን ህዝቢ ድማ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘድልዮን ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ንሓደጋ ዓጸቦ ከም ዝተቓልዑን ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ። ኣብ ቀረባ ትካል ህጻናት እቲ ውድብ [ዩኒሴፍ] ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ልዕሊ 100 ሽሕ ህጻናት ብሰንኪ ሕጽረት ግቡእ ኣመጋግባ ክሞቱ ከም ዝኽእሉን ድሮ ነፍሰጾር ኣዴታት ብሕጽረት ስነ መኣዛ ዘሎም መግብታት ከም ዝተጠቕዓን ገሊጹ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ብቐንዱ ሰብኣዊ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ንምብጻሕ ኩሎም ተጻባእቲ ወገናት ተኹሲ ደው ከብሉን ዘይተገደበ መገዲ ክኽፈትን ማሕበረሰብ ዓለም ይሓትት ኣሎ። ትማሊ ሳማንታ ፓወር እቲ እገጨዕት ወተሃደራዊ ፍታሕ ከም ዘይብሉ ብምግላጽ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ክወጽኡ፣ ሓይልታት ኣምሓራ ድማ ካብቲ ሒዞምዎ ዘለው ምዕራብ ትግረይ ክወጽኡ ሓቲታ። ብተወሰኺ መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ብህጹጽን ንወዳእታ ግዜን ካብ አትዮጵያ ከውጽኦም ከም ዘለዎ ኣመሪካ ትጽውዕ ክትብል ብትዊተር ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ ሓቢራ። ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ከም ዝተዘራረቡ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ይጋደድ ዘሎ ኲናትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ንምግታእ ክልቲአን ሃገራት ምስ ካልኦት ዓለም ለኸ መሻርኽተን ኮይነን ብሓበር ንክሰርሓ ከም ዝተስማምዓ ካብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ዝወጽአ መግለጺ ይሕብር።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58097355"} {"headline":"ዴ ክለርክ፡ እቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ሕጂ'ውን ዘይሰማምዕሉ ሰብኣይ","content":"እቲ ብውርሻ ዝተቐበሎ ብሕጊ ዝተደገፈ ስርዓት ዓሌታውነት ንከብቅዕ ብምሕጋዙ ሽልማት ኖቤል ሰላም ዝወሰደ ዴ ክለርክ ንገለ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ጽቡቕ መራሒ እዩ። ንኻልኦት ክኣ፡ ካብቲ ስርዓት ዝተረብሐ ብምዃኑ ብብዙሓት ገበናት ብሕጊ ክሕተት ዝግብኦ እዩ። እቲ ሓቂ፡ ብዙሕ ነገራት ዝነበሮ ሰብ ምዃኑ እዩ። እዚ ወዲ 85 ዓመት ሰብኣይ፡ ናይ መወዳእታ ፕሬዝደንት ኣፓርታይድ እዩ። ኣብተን ኣብ ስልጣን ዝጸንሐለን ዓመታት ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ እቶም ልዕልነት ጽዓዱ ከብቅዕን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ በዓል ኔልሰን ማንዴላን ካልኦት መራሕቶምን ክፍትሑ ዝጠልቡ ዝነበሩ ጸለምቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ከበድቲ ግህሰታት ይፍጽሙ ነይሮም። ስርዓት ኣፓርታይድ፡ ኣዝዩ ርሑቕ ኣብ ዝብሃል ዘመን ዝነበረ ስርዓት ስለ ዘይኮነ፡ እቲ ኣሰሩ ሕጂ'ውን ኣሎ። ኣብቲ እዋን ብዝፍጸም ዝነበረ ግህሰት ክኣ ተሓታቲ ዝኾነ የለን። ገበናት ተፈጺሞም'ዮም፤ ግዳያት ምርካብ ይክኣል እዩ። ግን ክኣ ገበነኛታት ዝነበሩ ኣይመስልን። ገለ ሰባት፡ ዴ ክለርክ እዚ ንክልወጥን ተሓታትነት ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኣፓርታይድ ንዝተፈጸሙ ኣብ ልዕሊ ህይወት ጸለምቲ ጽልዋ ዘሕደሩ ጉዳያትን ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ዝፈጸሞ ግህሰትን ንክልወጥን ተሓታትነት ንክነግስን ክገብር ይኽእል'ዩ ኢሎም ይኣምኑ። እዚ እንኮላይ ንርእሱ ናብ ፍርዲ ምኻድ ይሓውስ። ምኽንያቱ፡ ብሓደ ገጹ ንዓሰርታት ዓመታት ኣካል እቲ ስርዓት ኾይኑ ኣብ ቕድሚት ብዙሕ ዝሰርሐን ንዓመታት ካብቲ ስርዓት ዝተጠቐመን እዩ። ካብ 1972 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ጀሚሩ ኣባል ባይቶ ሃገራዊ ሰልፊ ዝነበረ በዓል ሞያ ሕጊ ዴ ክለርክ፡ ብዛዕባ እቲ ስርዓት ኣፓርታይድ ዝፈጠረ ሰልፊ ግልጺ ኣረዳድኣ ነይሩዎ'ዩ። ከምኡ ኮይኑ እናሃለወ ግን ኣብ ውሽጢ እቲ መሓውር ብምእታው ናብ ላዕሊ ክመጽእ ክኢሉ፤ ዘየካትዕ ድማ ካብቶም ካልኦት ብጾቱ ዝሓሸ ኣረኣእያ ነይሩዎ። ምናልባት ኣብ ውሽጢ እቲሰ ልፊ ዝነበረ ስርዓት ኣፓርታይድ ብውሽጢ ብምምጓት ማንዴላ ኣብ ህንጸት እታ ሃገር ዕድል ንክውሃቦ ናብ ናይ ዝርርብ ጠረጴዛ ንክመጽእ ኣኽኢሉ'ዩ። ፋውንዴሽን ሊቀ ጳጳስ ዴስሞንድ ቱቱ፡ ክለርክ ኣብ ዴሞክራሲያዊ ስግግር ንዝነበረቶ ኣበርክቶ ብምጥቃስ ኣብ ዕለተ ሞቱ ክዝከር ገይሩ። \"ዴ ክለርክ፡ ኣብ ታሪኽ ደቡብ ኣፍሪቃ ዓብዪ ተራ ተጻዊቱ'ዩ። ኣብቲ መብዛሕትኦም መሳርሕቱ መጻኢ እታ ሃገር ብሓደ ዓይነት መገዲ ዘይርኣይሉ እዋን፡ ለውጢ ከም ዘድሊ ተረዲኡ ንዕኢ ዝጥዕም ኩነታት ኣመቻችዩ\" ኢሉ። ዴ ክለርክ ምስ ኔልሰን ማንዴላ ሽልማት ኖቤል ወሲዱ'ዩ። ውርሻ ማንዴላ ዝዕቅቡ ሰባት ድማ፡ ዴ ክለርክ \"ዓብዪ\" ውርሻ ዘለዎ ግን ድማ \"ማዕረ\" ዘይኾነ ክብሉ ይገልጹዎ። ንሱ፡ ኣብ እዋን ስርዓት ኣፓርታይድ ብዙሓት ሃገራትን መላፍንቲ እቲ ኣባል ዝነበረሉ ሰልፊ ገጸን ክዓጽፋ ምስ ጀመራን መንግስቱ እናኸሰረ ምስ መጽአን ምስ ሰልፊ ኤኤንሲ ክዘራረብ መሪጹ። ማንዴላ Long Walk to Freedom ኣብ ዝብል መጽሓፉ \"ክለርክ፡ ዋላ'ውን ሰጓሚ ኣተሓሳስባ ዘለዎ እንተመሰለ ብዝኾነ መልክዑ ናይ ናጽነት ሰብ ኣይነበረን። ንርእሱ ካብ ስልጣን ንምውጻእ ዋላ ሓደ ዕረያ ኣይገበረን። \"እኳ ድኣ እቲ ዝገብሮ ዝነበረ ብተዛማዲ ምኽንያት'ዩ፤ እዚ ኽኣ ኣብ ሓድሽ ኣሰራርሓ ስልጣን ምርግጋጽ'ዩ\" ክብል ብግልጺ ኣስፊሩዎ'ዩ። 'ፈራሕ' ከምኡ'ውን 'ጠላም' ዴ ክለርክ፡ ምስ ሰልፊ ኤኤአንሲ ክዘራረብ ምውሳኑ ብብዙሓት ኣብቲ ንሱ ዝነበረሉ ደንበ ዝነበሩ ኣባላት ክንጸል ምኽንያት ኮይኑ'ዩ። ገሊኦም ክሳብ ሕጂ ከም ጠላሚ ይርእዩዎ። ቅድሚ ሒደ ዓመታት፡ ኣብታ ናይ ጽዓዱ ጥራይ ዝኾነት ከተማ ኦራኒያ፡ ክሳብ ሕጂ ናይ ኣፓርታይድ ዝኾነት ንኡሽቶ ባንዴራ ተሰቒላ ትርኣይ ነይራ። ኣብዛ ከተማ፡ ናይቶም መራሕቲ መንግስቲ ኣፓርታይድ ሓወልታት'ውን ካብ ንሓስ ተቐሪጹ ብሓበን ተቐሚጡ'ዩ። ክለርክ ግን፡ ካብዚ መስርዕ \"ጀጋኑ\" ተኣልዩ። ንምንታይ ኢልና ዝሓተትናዮም ሰባት፡ ንሱ ፈራሕ ከም ዝኾነ ብምግላጽ ጠሊሙና'ዩ ኢሎም ከም ዝኣምኑ ይዛረቡ። ክለርክ፡ ምስ ሞተ እቲ ፋውንዴሽኑ ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ ኣብ ሓደ እዋን ንስርዓት ኣፓርታይድ ዝድግፍ እኳ እንተነበረ ኣብ 1980ታት ግን \"ሙሉእ ንሙሉእ ተቐይረ'የ\" ክብል ይስማዕ። በዚ ምኽንያት ምስ ማንዴላን ካልኦት ፖለቲከኛታትን ክዘራረብ ከም ዝወሰነ ገሊጹ። \"ሎሚ'ውን ክደግሞ፤ ኣፓርታይድ ንጸለምቲ፣ ህንዳውያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘብጽሖ ቓንዛ፣ ጉድኣትን ንዕቀትን ይቕሬታ ይሓትት\" ክብል ኣብቲ ናይ መወዳእታ ብቪድዮ ዝገደፎ መልእኽቲ ገሊጹ። ብዙሓት ደቡብ ኣፍሪቃውያን፡ ውርሻ ኣፓርታይድ ሚሊዮናት ኣብ ትሕቲ ድኽነትን ዘይማዕርነታዊ ስርዓትን ክነብሩ ገይሩ እዩ ኢሎም ይኣምኑ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59230439"} {"headline":"ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ተጋሩ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ 'ጃምላዊ ማእሰርቲ ይፍጸመና ኣሎ' ኢሎም","content":"ኣብዚ ሰሙን፡ ኣካላት ጸጥታ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓድሽ ስጉምቲ ጃምላዊ ማእሰርትን ተፍትሽ ገዛ ንገዛን የካይድ ብምህላዩ ግዳያት ጃምላዊ ማእሰርትን ምፍርራሕን ንኸውን ኣለና ክብሉ ተጋሩ ነበርቲ እታ ከተማ ገሊጾም። እቶም 'ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣለና' ብምባል ቃሎም ንቢቢሲ ዝሃቡ ውልቀሰባት፡ ድሮ ኣባላት ስድራቤቶም፣ መሓዙቶምን መቕርባቶምን ካብ ዝነበርሉ ናይ ስራሕ ቦታ፣ ቤት ብልዒ፣ መዘናግዒ ቦታን መጓዓዝያን ተገፊፎም ተወሲዶም ይብሉ። ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኮማንደር ፋሲካ ፈንታ፡ \"ኣብቲ መንግስቲ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ዝተኣሰሩ ተወለድቲ ትግራይ ጥራሕ ኣይኮኑን፤ ግን ከኣ ብቐንዱ ንሳቶም'ዮም\" ክብል ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ። ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅመር ንድሓር ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ብርኪ ማሕበራዊ መነባብሮ ዝርከቡ ነበርቲ እታ ከተማ ዝኾኑ ተወለድቲ ትግራይ 'ብሰንኪ መንነት' ግዳያት ማእሰርቲ ከም ዝኾኑን ትካላት ንግዶም ከም ዝተዓጽወን ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ። እዚ ሓድሽ ዙርያ ጃምላዊ ማእሰርቲ፡ ድሕሪ እቲ ሓይልታት ትግራይ ንዓበይቲ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ዝኾና ደሴን ኮምቦልቻን ምቁጽጻሮምን፡ መንግስቲ \"ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ዝተሓብኡ ዕሱባት ህወሓት ኣለው'ዮም\" ምባሉን ስዒቡ ዘጋጥም ዘሎ እዩ። ብሰኑይ ምሸት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ንላዕለዎት ሰብ መዚ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ \"ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልእ ከባብን ኮይኖም ኣፍ ጸላኢ ብምዃን ንህዝብና ዕጥቂ ዘፍትሑ ኣካላት ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰዶም ይግባእ\" ብምባል ፈጸምቲ ኣካላት ከተግብሩዎ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ። ብኻልእ ወገን ብርክት ዝበሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝነጥፉ ደገፍቲ መንግስቲ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ኩርናዓት እታ ሃገር ዝርከቡ ተጋሩ 'ንሓይልታት ትግራይ ሓበሬታ የቐብሉ እዮም' ብዝብል ጥርጣረ ናብ ሓደ መጽንሒ መዓስከር ክኣትው ኣለዎም ዝብሉ ጎስጓሳት ምጅማሮም፡ ስግኣት ፈጢሩ ጸኒሑ'ዩ። እዚኦም፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ካብ ትግራይ ወጻእ ዘለው ተወላዲ፡ ሓያል ስነ ልቦናዊ ጸቕጢ ክፈጥሩ እንከለው፡ ናይ ድሕነት ስግኣት ክዓስሎም ከም ዝገበሩ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይዛረቡ። ኣብተን ዝሓለፋ መዓልታት፡ ኣብ ሓደ ቤት ብልዒ ምስ መሓዙቱ ድራር ይበልዕ ዝነበረ ሓው ብፖሊስ ድሕሪ ምውሳዱ ንገዛእ ድሕነቱ ብምስጋእ ምንቅስቓሳቱ ከም ዝገደበ ዝዛረብ ሽሙ ክርቋሕ ዘየፍቀደ ወሃቢ ርኢይቶ፡ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ነበርቲ እታ ከተማ ዘነጻጸረ ማእሰርቲ ኣሎ ይብል። \"ሕዚ ትኸዶ መንገዲ ንባዕሉ መፍርሒ'ዩ ኮይኑ፤ ብሰንኪ እቶም ዝውሃቡ ዘለው ርኢይቶታት ትግራዋይ ምዃን ከም ሰይጣን የቑጽረና ስለ ዘሎ ስነ ልቦናኻ እዩ ዝጉዳእ። ኣብ ደገ ብድሕረይ መጺኦም ትግራዋይ ኢሎም ዝሕዙኒ ስለ ዝመስለኒ ኣብ ደገ ብትግርኛ ክዛረብ ኣይክእልን\" ክብል ስግኣቱ ገሊጹ። እቲ ማእሰርቲ ብጥቆማ ውልቀሰባት፣ ገዛ ንገዛ ብምፍታሽ፣ ኣብ ካፌን ቤት ብልዕን ከምኡ'ውን ናይ ስራሕ ቦታ መለለዪ መንነት ብምሕታት'ዩ ዝፍጸም ዘሎ ብምባል፡ ኣብዚ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ግዳያት ጃምላዊ ማእሰርቲ ይኾኑ ኣለው ኢሉ። ካልእ ነባሪት እታ ከተማ ዝኾነት ለታይ* ትማሊ ኣብ ስራሕ ቦታ ዝነበሩ ኣባላት ስድራቤታ ከም ዝተኣሰሩን ዘለውሉ ኩነታት ከም ዘይትፈልጥን ገሊጻ። \"ሰለስተ ኣባላት ስድራይ ሓዊሱ ልዕሊ 25 ዝፈልጦም ሰባት ተኣሲሮም። ምኽንያት መእሰሪኦም እዚ'ዩ ዝብለካ የለን። ሰብ ከካብ ዝተረኸበሉ ይሕፈስ ኣሎ። ነቶም ዝተኣሰሩ'ውን ክትሓትት ኣይትኽእልን፤ ክሓቱ ዝኸዱ'ውን ይእሰሩ ኣለው\" ኢላ። እዚ፡ ብተጋሩ ዝንቀሳቐሱ ትካላት ንግዲ ብብዝሒ ኣብ ዝርከበሉ ከባቢ ሃያ ሁለት ከምኡ'ውን ካራማራ፣ ሲኤምሲ፣ ራጉኤል፣ ኣያት፣ ቦሌ ቡልቡላ ዝበሉ ከባቢታት ብረት ኣለኩም ብዝብል ፖሊስ ኣብ መንበሪ ገዛን ትካላት ንግድን ተፍትሽ ይካየድ ከም ዘሎን ብዙሓት ካብቲ ከባቢ ከም ዝተወስዱን ቢቢሲ ዘዘራረቦም መሰኻኽር ዓይኒ ይዛረቡ። \"እቲ ሃንደበታዊ ማእሰርቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት እዩ ዝፍጸም ዘሎ፤ ብቐዳም ፖሊስ ኣብ 22 ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ መስተ ብዙሓት ብጃምላ ኣሲሮም። እቲ ሕብረተሰብ'ውን ብጥርጣረ ስለ ዝርእየካ ዓᎁቕ ስግኣት ኣሎ። ኣነ ዝተወለድኩሉ ከተማ'ውን ኣይመስልን\" ክትብል ሽማ ክርቋሕ ዘየፍቀደት በዓልቲ ሞያ ሕጊ ተዛሪባ። ንሳ፡ ሲኤምሲ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ካብ ካፌ፣ እንዳ ፑልን መንበሪ ገዝኦምን ዝተወስዱ ሰላማውያን ሰባት ከም ዘለዉ ሓቢራ። ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ነባሪ እታ ከተማ፡ ኣብ ከባቢ 22 ኣባላት ስርኡ ዝርከቡዎም ብርክት ዝበሉ ሰባት ብጃምላ ተኣሲሮም ክውሰዱ ከም ዝተዓዘበ ገሊጹ። \"ፖሊስ ኣብ 22 ናብ ዝርከብ ናይ ስራሕ ቦታ መጺኦም'ዮም ወሲዶምዎም፤ ሕዚ ኩሎም ኣበይ ከም ዘለው ኣይፈልጥን\" ይብል። ትማሊ ሰላምን ጸጥታን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንምሕላው ተባሂሉ ዝተጣየሸ ሓበራዊ ሓይሊ ዕማም ድሕነትን ጸጥታን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ \"ኣብ ልዕሊ ደገፍትን ናፈቕትን ህወሓት ዝውሰድ ዘሎ ሕጋዊ ስጉምቲ\" ተጠናኺሩ ክቕጽል'ዩ\" ኢሉ። እቲ ግብረ ሓይሊ፡ መንበሪ ገዛ ተኻርዮም ብሓባር ዝንቀሳቐሱ፣ ስውር ቦታ ሓርዮም ምስቲ ጉጅለ ርክብ ዘለዎም ደገፍቲ ከም ዘለው ብምግንዛብ መንበሪ ገዛ፣ ናይ ንግዲ ቦታ፣ መኽዝንን ተሽከርከርትን ዘካረዩ ውልቀሰባትን ትካላትን መንነት እቶም ተኻረይቲ ብምጽራይ ንፖሊስ ሓበሬታ ክህቡ ኣተሓሳሲቡ። ሓላፊ ቢሮ ጸጥታን ሰላምን እታ ከተማ ቀነኣ ያደታ [ዶክተር] ብወገኑ ሰላም እታ ከተማ ንምርግጋጽ ብረት ዘለዎም ውልቀሰባት ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ኣብ ከባቢኦም ናብ ዝርከብ መደብር ፖሊስ ብምኻድ ከመዝግቡ ኣለዎም ኢሉ። ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መንበሪ ኣባይትን ትካላት ንግድን ሃንደበታዊ ተፍትሽ ከም ዝካየድ ብምግላጽ ነዚ ሕብረተሰብ ኣድላዩ ምትሕብባር ክገብር ኣለዎ ከም ዝበለ ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን። ትማሊ ምሸት፡ ፖሊስ ኣብ መካኒሳ ቆሬ ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲ [ኮንደሚንየም] ድሕሪ ዘካየዶ ሃንደበታዊ ተፍትሽ ክልተ ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ነጋዶ ከም ዝተኣሰሩ ሓደ መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጹ። \"ክልቲኦም ናይ ዱባይ ነጋዶ'ዮም። እቲ ሓደ ካብቲ ዝሰርሐሉ ቦታ ተኣሲሩ ክመጽእ እንከሎ፡ ፖሊስ ናብቲ ከባቢ መጺኦም ገዛ ክፍትሹ ከለው ብዙሕ ሰብ ተኣኪቡ ይርኢ ነይሩ። እቶም ሰባት ኣብ ገዝኦም ብረት ኣሎ ብዝብል ከም ዝተጠቆሙ ይዛረቡ ነይሮም\" ኢሉ። ካልእ፡ ብሰኑይ ሓደ ሓውን ካልኦት መሓዙቱን ከም ዝተኣሰሩዎ ዝዛረብ ውልቀሰብ ቅድም ኢሉ ኣብ 22፣ ሰሚትን ቡልቡላን ዝብሃሉ ከባቢታት ተመሳሳሊ ተርእዮታት ከም ዝነበረ ብምዝኽኻር፡ ሕዚ'ውን ዳግም ኣብዞም ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ዝነብሩን ዝሰርሑን ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ውልቀሰባትን ትካላት ንግዶምን ስጉምቲ ይውሰድ ኣሎ ክብል ተዛሪቡ። \"ብሰኑይ ዝጀመረ ሓድሽ ተፍትሽ ኣሎ። ኣነ ንባዕለይ ሎሚ'ዶ ጽባሕ ክእሰር ይኸውን ብዝብል ብፍርሒ ተዋሒጠ'የ ዘለኹ። እቲ ጅምላ ማእሰርቲ ስለ ዘስግአኒ ተዘይረኸቡኒ፣ ተዘይርኣዩኒ እናበልኹ ይሕባእ\" ብምባል ነቲ ዘለወሉ ኩነታት ይገልጽ። ዶክተር ቀነኣ ያደታ፡ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ተወዲቦም ከባቢኦም ንክሕልው ተፈቒዱ'ዩ ብምባል ምስ ትካላት ጸጥታ ብምትሕብባር ከባቢኦም ክሕልዉ ይግባእ ኢሉ'ዩ። በብኸባቢኡ ብፖሊስ ተዓጂቦም ስቪል ተኸዲኖም ዝተወደቡ መናእሰይ ከም ዘለው ዝዛረብ ገብረመድን ብርሃነ፡ \"ከም ሰብ ርግጸኛ ዘይኮነ ህይወት የሕልፍ ኣለኹ' ይብል። \"ሎሚ ኣማስየ [ትማሊ] ባኒ ክገዝእ ወጺአ ኣጋጣሚ ቴሌፎን ተደዊሉኒ ብትግርኛ እናውጋዕኹ ክልተ ሰባት ንድሕሪት ግልጽ ኢሎም ምስርኣዩኒ ሰንቢደ ናብ ገዛይ ኣትየ። ኣብ ታክስን ካልእ ቦታን ድማ ተፍትሽ ስለ ዘሎ ስለ ዝሰግእ ካልኣይ መዓልተይ ታክሲ ኣይተጠቐምኩን፤ ምኽንያቱ ኣብቲ መለለዪ መንነትና ሽምና ርእዮም ስለ ዝኣስሩና ነዊሕ መንገዲ ብእግረይ'የ ዝኸይድ\" ኢሉ። \"ክፍትሹ ከለው መለለዪ መንነት ርእዮም ሽምኻ ናይ ትግራዋይ እንተኾይኑ ተጸጋዕ እዮም ዝብሉኻ\" ዝብል ካልእ ነባሪ ድማ፡ እዚ ብዝፈጠሮ ስግኣት ካብ ስራሕ ይቦኹሩን ካብ ገዛ ምውጻእ ከወግዱ ከም ዝተገደዱን ይዛረብ። ንሱ፡ ኣብ ከባቢ 22 ሓንቲ እንዳ ቡን ዝነበራ ትግራወይቲ ሰበይቲ \"እዚ ደገፍቲ ጁንታ ዝመኻኸርሉ እምበር ቡን እትሸጥሉ ኣይኮነን ኢሎም ከንገላትዑዋ ገጢሙኒ'ዩ\" ኢሉ። ብሰንኪ እቲ ዝሓደሮ ስግኣት ስራሕ ጠጠው ከም ዘበለን ገለ ሰባት እናጠቆምኻ ምእሳር ብምህላዩ \"ርግጸኛ ዘይኮነ ህይወት ኢና ነሕልፍ ዘለና\" ብምባል \"ሕዚ ንባዕሉ ጎረባብተይ ከይሰምዑኒ'የ ድምጸይ ኣትሒተ ዘዋግዕ ዘለኹ። ብዙሕ'ውን ክዛረበኩም ኣይኽእልን\" ኢሉ እቲ ስልኪ ክቋረጽ ገይሩ። ነዞም ክስታት ኣመልኪቱ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኮማንደር ፋሲካ ፈንታ፡ ሰላማውያን ሰባት ግዳያት ኣይኮኑን ክብል እንከሎ፡ ኣብ ኩሉ ቦታታት እታ ከተማ ዘይሕጋዊ ተግባር ዝፍጽሙ ሰባት ብሰፊሑ ይንቀሳቐሱ'ዮም ክብል ከሲሱ። ብሽሞም ዘይረቑሖም ግን ድማ ልኡኽ \"ናታቶም\" ብዝብል ናይ ዝገልጾም ሓይልታት ዘፈጽሙ ብዙሓት ሰባት'ዮም ዘለዉ ብምባል፡ ፖሊስ እታ ከተማ፣ ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታት ድሕነትን፣ ፖሊስ ፌደራልን ካልኦት ኣካላትን ብምትሕብባር ስጉምቲ ይወስዱ ምህላዎም ሓቢሩ። \"ሰባት ንሕዝ ኣለና፤ ብቐጻሊ'ውን ክንሕዞም ኢና። ተወለድቲ ትግራይ ጥራሕ ኣይኮኑን ግን ከኣ ብቐንዱ ንሳቶም'ዮም። ኣብዚ ተግባር ብቐጥታት ዝሳተፉን መረዳእታ ዝቀያየሩን ኣለዉ። ብዘይካ ንሳቶም ተወለድቲ ካልኦት ብሄራት'ውን ኣለዉ። ኣብ ካልኦት ፖለቲካዊ ውድባት ዝርከቡ ሰባት'ውን ይርከብዎም'ዮም። ብቐንዱ ግን ተወለድቲ ትግራይ እዮም\" ኢሉ። እዞም ኣብ ቀይዲ ዝውዕሉ ዘለው ውልቀሰባት፡ \"እኹል መረዳእታ ዝተረኸቦም'ዮም\" ክብል እውን ኮማንደር ፋሲካ ተዛሪቡ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፡ ብርክት ዝበሉ ተወለድቲ \"ግዳያት መንነት መሰረት ዝገበረ ምንግልታዕን ንኸውን ኣለና\" ክብሉ ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም። ኣብቲ ግዜ፡ መንግስቲ ዋላ ሓደ መንነት መሰረት ዝገበረ ማእሰርትን ምንግልታዕን ከም ዘይተፈጸመ ብምግላጽ፡ ነቶም ጸብጻባትን ክስታትን ነጺጉዎም'ዩ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ኣብ ወርሒ ሓምለ 2021 ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ምንክልባትን ማእሰርትን፣ ምዕጻው ትካላት ንግዲ ከምኡ'ውን መጥቃዕቲ ተፈጺሙ'ዩ ዝብሉ ጸብፋባት ኣውጺኦም ነይሮም።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59006084"} {"headline":"ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ፡ ዕጡቓት ልኡኻት ሰላም ዓጊቶም","content":"ኣብ ምብራቕ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጉጅለ ዕጥቁ ንክፈትሕ ንምእማን ዝኸዱ ሰለስተ ልኡኻት ሰላም ተዓጊቶም። ፕረዚደንት ፌሊክስ ሺሰከዲ ንቶማስ ሉባንጋ፣ ጀርመይን ካታንጋን ፍሎሪበርት ንጃቡን ዝተባሃሉ ሰባት እዩ ምስ'ቶም ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ተደጋጋሚ ግፍዒ ከምዝፈጸሙ ዝኽሰሱ ዕጡቓት ኮዴኮ ክላዘቡ ልኢኽዎም። ወሃቢ ቃል እቲ ጉጅለ ንማዕኸን ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ ቃል ግን፡ እቶም ልኡኻት ኣብ ዝዘራረብሉ እዋን ወተሃደራት ኮንጎ ተኹሲ ከም ዝኸፈቱ ብምግላጽ ነቶም ልኡኻት ከም ዝሓዙዎም ተዛሪቡ። ንዕኦም ብስልኪ ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ ግን ኣይሰመረን። ኮዴኮ፡ ኣብቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ምብራቓዊ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ዝቕጽል ዘሎ ጎንጺ ረብሓ ልንዱ ዝተባህሉ ብሄር ከኽብር ከም ዝቃለስ ይገልጽ። ሉባንጋን ካታንጋን ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ኣብቲ ከባቢ ገበናት ኲናት ፈጺሞም ብዝብል ገበነኛታት ኮይኖም ስለ ዝረኸቦም ነፍሲ ወከፎም ን14ን 12 ዓመትን ተኣሲሮም ዝወጽኡ'ዮም። ጃዱ'ውን ትሸዓተ ዓቀብቲ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምቕታል ን15 ዓመታት ተኣሲሩ እዩ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60385202"} {"headline":"ኣሜሪካ፡ ከተማ ኒው ዮርክ ንመጀመርታ ግዜ ጓል ኣንስተይቲ ላዕለወይቲ ሓላፊት ፖሊስ መዚዛ","content":"ከተማ ኒው ዮርክ ኣብ ናይ 176 ዓመታት ታሪኻ ንመጀመርታ ግዜ ኩቻንት ሰወል ዝተብሃለት ጓል ኣንስተይቲ ላዕለወይቲ ሓላፊት ፖሊስ ብረቡዕ ከምዝመዘዘት ከንቲባ እታ ከተማ ኤሪክ ኣዳምስ ሓቢሩ።። ጓል 49 ዓመት ኩቻንት ሰወል፡ ንዝሓለፈ 23 ዓመታት ፖሊስ ኮይና ዝሰርሐት ኮይና ካብ መስከረም 2020 ጀሚራ ላዕለወይቲ ፖሊስ ሎንግ ኣይላንድ ኮይና ክትሰርሕ ምጽናሓ ተገሊጹ። ፖሊስ ከተማ ኒው ዮርክ [NYPD] ኣብ ኣመሪካ እቲ ዝዓበየ ዓቕሚ ሰብ ዘለዎ ምምሕዳር ፖሊስ እዩ። ከንቲባ ኒው ዩርክ ኤሪክ ኣዳምስ ብረቡዕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ \"ፖሊስ ኮይነን ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዩ ዝበዝሐ ግዜ ኣብ ናይ ቤት ጽሕፈት ስራሕ ጥራይ ከምዝጽመዳን ዕቤት ከምዘይረኽባን እዩ ክግበር ጸኒሑ\" ኢሉ። ብምስዓብ \"እዚ ካብ ሕጂ ደው ኢሉ ኣሎ\" ኢሉ። ኩቻንት ሰወል፡ ኣቅድም ኣቢላ ኣብ ኒው ዮርክ ከባቢ ናሳኡን ናርኮሮክን ዝሰርሐትን፡ ጅሆ ንዝተተሓዙ ሰባት ኣብ ምፍታሕ ላዕለወይቲ ተዛታይት ኮይና ሰሪሓ ነይራ እያ። ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚራ መዝነት ትርከብ ኩቻንት ሰወል፡ ኣብ ታሪኽ ፖሊስ ኒውዩርክ እታ ሳልሰይቲ ጸላም ኣመሪካዊት ነዚ መዝነት እዚ ዝበቐዐት ክትከውን እያ። ኣቐዲሞም ክልተ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ኣዘዝቲ ፖሊስ ኒውዮርክ ኮይኖም ሰሪሖም ነይሮም እዮም። ኩቻንት ሰወል ላዕለወይቲ ፖሊስ ኮምሽነር ከተማ ኒው ዩርክ ኮይና ከምዝተመዘዘት ምስ ተሓበራ \"ታሪኻዊ ነገር እዩ\" ድሕሪ ምባል ኣብ ሞንጎ ፖሊስን ነበርቲ ኒው ዮርክን ዘሎ ርክብ ኣብ ምድልዳል ኣጸቢቓ ክትሰርሕ ምዃና ተመባጺዓ። ፖሊስ ኒው ዮርክ ኣስታት 35 ሽሕ ዓቕሚ ሰብ ዘለዎ ኮይኑ ካብዚኦም እተን 18 ሚኢታዊት ደቂ ኣንስትዩ እየን።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59678688"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ርግኣት ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ንምምላስ ዝግበሩ ጻዕርታትን ግድላትን","content":"10 ጉንበት 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ከተማ ግልገል በለስ፡ ኣብ ሞንጎ ርእሰ ምምሕዳር እታ ክልል ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰንን ተወካሊ ዕጡቕ ጉጅለ ጉሙዝ ኣይተ ጀግናማው ማንግዋን ዝተገበረ ስምምዕ ሰላም፡ ንብዙሓት ኣብቲ ክልል ዘሎ ስግኣት ፀጥታ ኣብቒዑ'ዩ ዝብል ተስፋ ዝሃበ ነይሩ። እዚ ስምምዕ ብመንግስቲ ኮነ ብወገን እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ዝተቐመጡ ግቡኣት ንምፍፃምን ሰላም ንምምፃእን ብዝብል ክልቲኦም ኣካላት ክታሞም ኣንቢሪን። ኣብቲ ክልል፡ ህድእ እናበለ ፀኒሑ ብዝደግስ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት \"ዝፍፀም መጥቃዕቲ\" ግን ንነበርቲ እቲ ክልልን ካብቲ ክልል ወፃኢ ንዝነብር ሰብን ንሕልና ዝርብሹ ዜናታት ምውጽኦም ኣይተረፈን። ንምዃኑ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ኣብቲ ክልል ዘሎ ጎንፂ እንታይ ይፍለጥ? እቲ ክልል ብሰለስተ ዞባታት፡ ካማሺ፣ መተከልን ኣሶሳን ዝቖመ ኮይኑ፡ ዞባ መተከል ግድብ ሕዳሰ ዝርከበሉ ወረዳ ጉባ ሓዊሱ ኣብ ውሽጡ ሸውዓተ ወረዳታት ዝሓዘ ሰፊሕ ዞባ'ዩ። እዚ ዞባ ምስ ክልል ኣምሓራን ሃገረ ደቡብ ሱዳንን ዝዋሰን ኮይኑ ብተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ዝፍፀመሎም ወረዳታት ቡለን፣ ድባጤ፣ ወንበራ፣ ፓዌ፣ ዳንጉርን ማንዱራን ሓቚፉ ኣሎ። እቲ ምስ ክልል ኦሮምያ ዝዋሰን ዞባ ካማሺ ድማ ዋላ'ኳ ካብ መተከል ዝሐሸ ሰላም እንተሃለዎ ብዙሓት ሲቪላት ብዝተፈላለዩ መጥቃዕትታት ክርዕዱ ጸኒሖም'ዮም። ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን ልዕሊ 40 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ዝሕብሩ ፀብፃባት ተሰሚዖም። ኣብ ዞባ ኣሶሳ ዝነብሩ ሲቪላት'ውን፡ ካብዞም መጥቃዕትታት ኣየምለጡን። ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣብ ወረዳ ኦዳ ቡልድግሉ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብኣብነት ይጥቀስ። በቶም መጥቃዕትታት ህይወት ብዙሓት ከም ዝጠፍአ ፀብፃባት ይሕብሩ። ኣብቲ ክልል ዝነብርን፡ ንዓመታት ነቲ ጎንፂ ክከታተል ዝፀንሐን ንድሕንነቱ ክንብል ስሙ ዘይንፀርሖ ተመራማሪ፡ ነዞም መጥቃዕትታት ዝፍፅም ዕጡቕ ጉጅለ ክልተ እዝታት ከም ዘለውዎ ንቢቢሲ ይዛረብ። ግድብ ሕዳሰ ኣብ ዝርከበሉ ኣብ ከባቢ ወረዳ ጉባ ዝርከብ ሓደ ክንፊ \"ሻባን\" ብዝበሃል ውልቀሰብ ይምራሕ ተባሂሉ ከም ዝእመን እዚ ምንጪ ይዛረብ። እቲ ካልኣይ ክንፊ ድማ ኣብ ከባቢ ወረዳ ቡለን ዝርከብ ኮይኑ እዚ ክንፊ፡ ሰላም ንምውራድ ምስ መንግስቲ ተሰማሚዑ፤ እቲ ኣብ ጉባ ዝርከብ ክንፊ ግና ነቲ ስምምዕ ከይተቐበለ ተሪፉ ይብል። እንተኾነ፡ እዚ ብልሙድ \"ዕጡቕ ጉሙዝ\" ተባሂሉ ዝፅዋዕ ጉጅለ ምስ ካልኦት ዕጡቓት እንትነጻጸር ብርቱዕ ሰንሰለት፣ ደምቢ ኽዳን ከምኡ'ውን ፍሉይ መፀውዒ ከም ዘይብሉ'ዩ ዝግለፅ። ኣብቲ ከባቢ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ንኣዋርሕ መፅናዕቲ ዘካየደ ካልእ በዓል ሞያ ድማ፡ እቲ ኣብ ከባቢ ጉባ ዘሎ ጉጅለ ካብ ካልእ ከባቢ ዝበለፀ መሓውር ዘለዎን፡ ብኣንፃሩ ኣብ ካማሺ ዝርአ ምንቅስቓስ እቲ ጉጅለ ድማ፡ \"ማሕበረሰባዊ ጎንፂ (ኮሚውናል ቫዮለንስ) ዝመስል መልክዕ\" ከም ዘለዎ ይዛረብ። \"ኣብ ካማሺ ብፍላይ ድማ ኣብ 2011 ዓ.ም፡ ኣዝዩ ተጋዲዱ ዝነበረ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍፀም መጥቃዕቲ ምቁፅፃር ዝተኽኣለ'ውን ነዚ ይመስለኒ። ኣብ ክልቲኦም ማሕበረሰባት (ጉምዝን ኦሮሞን) ኣብ ሞንጎ ሽማግለታት ዝተገበረ ዕርቂ ዝተወሰነ ውፅኢት ኣምፂኡ'ዩ\" ይብል። ብ15 መስከረም 2011 ዓ.ም ኣርባዕተ ኣመራርሓ ዞባ ካማሺ፡ ነቲ ኣብ ኣሶሳ ዝተኻየደ ኣኼባ ወዲኦም ክምለሱ እንከለዉ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ መቀቢላ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ብዕጡቓት ከም ዝተቐትሉን ይጓዓዙለን ዝነበራ መካይን'ውን ከም ዝተቓጸላን ይዝከር። ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ዞባ ካማሺ፡ ካብ ወርሒ መስከረም ክሳብ ለካቲት 2011 ዓ.ም ጥራሕ፡ ካብ ክልቲኦም ወገናት ልዕሊ 200 ሰባት ከም ዝተቐተሉን ድሕሪኡ ግና እቶም ጎንፅታት ህድእ ከም ዝበሉ እቲ ምንጭና ይሕብር። እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2013 ዓ.ም ኣብ ወርሒ ጉንበት ዝተፈረመ ስምምዕ፡ ቁጠባውን ፖለቲካውን ትሕዝቶ ዘለዎም 11 ነጥብታት ዝሓዘ'ዩ። ብመሰረት እዚ ኣባላት እቲ ጉጅለ ዕጥቆም ብምፍታሕ መንግስቲ ዝህቦ ስልጠና ምስ ዝውድኡ መንበሪ ገዛ ዝሰርሕሉ መሬት ሓዊሱ ኣብ ዝመረጹዎ ዘፈር ስራሕ ንክዋፈሩ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ከም ዝገብረሎም እቲ ስምምዕ የረድእ። ካብዚ ብተወሳኺ ካብ ክልል ጀሚሩ ክሳብ ወረዳ ኣብ ዘሎ መሓውር ዝተፈላለዩ ናይ ሓላፍነት ቦታታት ንክረኽቡ ከም ዝግበር ተገሊፁ። ብመዳይ ፀጥታ'ውን ልምዲ ዘለዎም ኣባላት እቲ ጉጅለ፡ ሰልጢኖም ናብ ሓይሊ እቲ ክልል ክፅንበሩ ኣብ ዘኽእል ስምምዕ ተበፂሑ። ሓላፊ ቢሮ ህንፀት ሰላምን ፀጥታን ክልል ቤንሻንጉል ኣይተ ኣብዮት ኣላባሮ፡ \"እቲ ዓብይን ብናቶም ወገን ትፅቢት ዝግበረሉ፡ ፃውዒት ሰላም ተቐቢሎም ዕጥቆም ምፍታሕ'ዩ። ዕጥቁ ፈቲሑ ዝመፅአ ሓይሊ ምኽንያት ሞት ዜጋታትን ምምዝባልን ክኾን የብሉን ዝብል ትኹረት ዝተውሃቦ ቀንዲ ኣካል እቲ ስምምዕ ነይሩ\" ይብል። ከም ኣገላልፃ እቲ ሓላፊ፡ ብወገን መንግስቲ ድማ እቶም ዕጡቓት ናብ ሰላማዊ ናብራ ክፅንበሩ ብቁጠባ ናይ ምውዳብን ምጥያሽን ስራሕ ግቡእ ኣለዎ። ነዚ ድማ ዝተመረፁ ዓውድታት ሕርሻ፣ ዕደና፣ መስኖ፣ ምርባሕ እንስሳት ከምኡ'ውን ኣብ ጥቕዓት ደቂኣንስትዮን ደቀቕትን ኣናእሽተይን ወዲቡ ናብ ስራሕ ምእታው ዝብል ከም ዝኾነ ይዛረብ። ቢቢሲ፡ ነቲ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ ስልጣን መንግስቲ ረኺቦም ካብ ሞንጎ ዝነበሩ ኣባላት እቲ ዕጡቕ ጉጅለን ሕዚ ካብ ዝነበሮ ሓላፍነት ንዝለቐቐን ውልቀሰብ ኣዛሪቡ'ዩ። ብዛዕባ እቲ ስምምዕ እንትዛረብ፡ \"እቲ ተፈሪሙ ዝነበረ ስምምዕ ኣብ ፍሉይ ሓይሊ፣ ንግዲ፣ ፖሊስን ኣብ ኣመራርሓ ናይ ስራሕ (ስልጣን) ምድብ ኣብ ምርካብ ዘድሃበ ነይሩ\" ይብል። ሓላፊ ቢሮ ህንፀት ሰላምን ፀጥታን ክልል ቤንሻንጉል ኣይተ ኣቢዮት ኣላባሮ፡ ዛጊድ ብኽልተ ዙርያ ልዕሊ 2500 ዕጡቓት ስልጠና ተሓድሶ ወሲዶም'ዮም ኢሉ። ነዚ ጉዳይ ዝከታታል ቤት ፅሕፈት ድማ ተጣይሹ። ብተወሳኺ፡ ንሱ ዝመርሖ ዓብይ ኮሚቴ ተጣይሹ ኣፈፃፅምኡ ይመርሕ ከም ዘሎ ይዛረብ። \"ብወገን መንግስቲ ዝበዝሕ ሕቶ ምላሽ ረኺቡ'ዩ። ሕቶታት ቁጠባ ዝምልከት ግና፡ ድሌቶም ተወሲዱ ዘድሊ ዕድጊት ንዋት ብመንግስቲ ክፍፀም ኣብ ከይዲ'ዩ ዘሎ\" ብምባል ኣይተ ኣብዮት የረድእ። ድሕሪ እቲ ስምምዕ ተመሊሶም ናብ ጫካ ዝኸዱ ዕጡቓት እቲ ጉጅለ ግና በዚ ኣይሰማማዑን፤ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ስልጠና ተሓድሶ ምውሳዶም ይዛረቡ። \"መንግስቲ ይፃወት እዩ ዘሎ። ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ግልገል በለስ ነይረ። ካብኡ ሰባት እንትቕተሉ እንትንርእይ ተመሊስና ናብ ጫካ ኣቲና\" ይብል። በዚ ድማ እቲ ስምምዕ ተግባራዊ ከም ዘይኾነ ብምግላፅ፡ \"ክሳብ ሕዚ ኣብ ናትና ወረዳ ኣርባዕተ ሰባት ጥራሕ'ዮም ተሾይሞም። ንዓና ቃልና ዝተኣወልና ኩሉ ንክወሃብ ኢና ንደልይ። መንግስቲ እቲ ክልል ግና \" ደሓረ ደሓረ\" ዝብል መልሲ'ዩ ዝህብ\" ብምባል ቅረትኡ ይገልፅ። ኣይተ ኣዮት ኣላባሮ ግን ብፍላይ ቁጠባዊ ሕቶታት ንምፍፃም ልዑል ባጀት ከም ዝሓትትን፡ ብባጀት እቲ ክልል ጥራሕ ከም ዘይከአልን ይዛረብ። ብምኽንያት እዚ ፕሮጀክት ተቐሪፁ መንግስቲ ፌደራል ድጋፍ ገንዘብ ንኽገብር ሕቶ ከም ዝቐረበን እቲ ስምምዕ ተግባራዊ ንክኸውን መንግስቲ ይሰርሕ ከም ዘሎን ይሕብር። ነዞም ፕሮጀክታት ንምስኻዕ ካብ 300 ክሳብ 500 ሚልየን ብር ከም ዝሓትት ኣይተ ኣብዮት ተዛሪቡ። \"ነቲ ፃውዒት ሰላም ተቐቢሎም ምስ መፅኡ፡ መንግስቲ ቃሉ ኣይፈፀመን እሞ ናብ ጫካ ክንምለስ ኢና ዝብል እንተልዩ፡ ሽፍትነት ስለ ዝደልይ'ዩ ዝብል ድምዳመ'ዩ ዝህልዎ\" ይብል። እቲ ናብ ጫካ ዝተመለሰ ውልቀሰብ ግና፡ እቲ ስምምዕ ተግባራዊ ካብ ዘይምዃን ብዝዘለለ ስግኣት ድሕንነት ከም ሓደ ምኽንያት የልዕል። ሸሪፎ ኣደምን ግዱ ዳኘውን ዝተባህሉ ውልቀሰባት ከም ኣብነት ብምልዓል፡ ነቲ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ ሓላፍነት ድሕሪ ምርካቦም ከም ዝተቐተሉ ይገልፅ። ኣይተ ኣብዮት፡ \"ቅትለት ኣይተፈፀመን። ብፍፁም ምሕብሓብ ናብ ከባቢኦም ክምለሱ ይግበር ኣሎ። እንተኾነ ናብ ሽፍትነት ተመሊሶም፡ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ዜጋታት መጥቃዕቲ ዝፍፅሙ እንተልዮም፡ መንግስቲ ስጉምቲ ዘይወስደሉ ምኽንያት የለን\" ክብል ተዛሪቡ። ቢቢሲ፡ ንክልተ ነበርቲ ከተማ ቡለን ነቲ ስምምዕ ሰላም ከመይ ርኢኽሞ ኢሉ ዝሓተተ እንትኾን፡ ሕዚ እውን ቅትለታት ከም ዝቐፀሉን ገለ ብሹመት ዝመፅኡ ዕጡቓት፡ ቅድሚ ሕዚ ንፍሉጣት ሰባት ዝቐተሉ ምዃኖም ቅረታ ከም ዘሕደረሎም ይዛረቡ። \"ሕዚ ይበፅሕ ብዛዕባ ዘሎ ስቓይ ክንዛረብ ንፈርሕ ኢና። ንሰራዊት ምክልኻል'ውን ንምዝራብ ንፈርሕ ኢና። ሕዚ'ውን በብመዓልቱ ሰብ ይመውት። ንስኹም 10 ወይ 20 ሰብ እንትሞት'ዩ። ንሕና በዓልና ሎሚ ወይ ፅባሕ ንሙት ኣይንፈልጥን\" ብምባል ስግኣቶም ገሊፆም። ሓደ ኣብ መንግስታዊ ትካል ዝሰርሕ ምንጪ ድማ፡ ኣብ ወረዳ ቡለን ኣርባዕተ ኣባላት እቲ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሚሊሻ፣ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ፣ ኣፈጉባኤ ባይቶ እቲ ወረዳ ከምኡ'ውን ኣፈጉባኤ ቤት-ማዘጋጃ እቲ ከተማ ተሸይሞም ከም ዝነበሩ ተዛሪቡ። ሕዚ ግና፡ ኣርባዕቲኦም ተመሊሶም ናብ ጫካ ከም ዝኸዱ ገሊጹ። ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ኣማሓዳሪ ዞባ መተከል ንምፅራይ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን። መንግስቲ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ክሳብ ሕዚ ምስ ሰለስተ ክልላት፡ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎ ስምምዕ ተፈራሪሙ'ዩ። ንሳቶም'ውን ክልላት ጋምቤላ፣ ኦሮምያን ኣምሓራ እዮም። ትሕዝቶ እቲ ስምምዕ እንታይ ከም ዝመስል ሕቶ ዘቕረብናሉ ኣይተ ኣብዮት፡ \"ምስ ጎረባብቲ ብሓባር ናይ ምልማዕ፣ ስራሕቲ ሰላም ብሓባር ምዕማምን ህዝቢ እቲ ዞባ ዘላቒ ሰላም ረኺቦም ንክሰርሑ ዝዓለመ'ዩ\" ይብሉ። ኣብ ኩለን ክልልላት፡ እዞም ስምምዓት ዘፈፅሙ ኣብያተ ፅሕፈት ተጣይሾም ኣብ ሰላምን ተጠቃምነት ሓበራዊ ልምዓትን ክሰርሑ'ዮም ኢሉ። ብተወሳኺ ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ፡ ካብ ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ብተወሳኺ፣ ሓይልታት ሲዳማን ክልል ደቡብን ኣብቲ ክልል ከም ዝተዋፈሩ ገሊፁ። እዞም ሓይልታት ኣብቲ ክልል ብዝተጣየሸ እዚ ማእኸል (ኮማንድ ፖስት) ዝእዘዙን ኣብቲ ዞባ ዘሎ ኩነታት ፀጥታ ኣብ ግምት ዘእተወ'ዩ ይብል። መንግስቲ እቲ ክልል እቲ ስምምዕ፡ ተዛማዲ ሰላም ከም ዘምፀአ እዩ ዝኣምን። እቶም ዕጡቓት ዕጥቆም ፈቲሖም ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ንክዋፈሩ ቀዳማይ ኣማራፂ'ምበር ብሕታዊ ኣይኮነን ዝብል መርገጺ ኣለዎ። \"ሰላም ንምምፃእ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ፡ ነቲ ፃውዒት ሰላም ኣብ ልዕሊ ዘይተቐበሉ ኣካላት ወተሃደራዊ ስጉምቲ ብምውሳድ እቲ ከባቢ ካብ ፀረ ሰላም ሓይልታት ምፅራይን ሰላማዊ ምግባር\" ካልእ ኣማራፂ ምዃኑ ሓላፊ ቢሮ ፀጥታ እቲ ክልል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ብተደጋጋሚ ዕጡቓት ጉምዝ ካብቲ ክልል ብፍላይ ድማ ካብ ካልኦት ከባብታት ብሰፈራ ዝኸዱ ክፋላት ሕብረተሰብ ናይ ምውፃእ ዕላማ ኣለዎም ዝብል ክሲ ከም ዝቐርበሎም ብምልዓል፡ \"ዕላማ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ እንታይ'ዩ?\" ዝብል ሕቶ ኣቕሪብናሉ። \"ናትና ሓሳብ ኣድሎኣዊ ኣሰራርሓ ደው ንክብል'ዩ። ንሕና ማንም ካብ ቤንሻንጉል ይውፃእ ዝብል ሓሳብ የብልናን። ሓቢርና ንክንሰርሕን፡ ኩላትና መዓረ ተረባሕቲ ክንኾን ኢና ንደልይ። ስራሕ ክንሰርሕ፣ ጎንፂ ከይህሉ ከምኡ'ውን ሰላም ክመፅእ እዩ ድሌትና። ሓቢርና እንተሰራሕና ገበን ድዩ?\" ብምባል ነቲ ክሲ ይነፅጎ። እዚ ሓሙሽተ ወርሒ ዘቑፀረ ስምምዕ፡ ብፍላይ ንነበርቲ ክንድ እቲ ትፅቢት ዝተገበሮ ለውጢ ኣየምፀአን። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣብ ከተማ ኣሶሳን ቡለንን ዝነብሩ ውልቀሰባት፡ እቲ ፀገም ፀጥታ ኣብ ኣካልን ህይወትን ካብ ዘስዕቦ ስግኣት ብዝዘለለ ናብራ ክኸብር ከም ዝገበረ ይገልፁ። ናብቲ ክልል ዝወስዱ መገድታት ብሰንኪ ዘሎ ፀገም ፀጥታ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ተዘዋዊርካ ምንጋድ ዘይምኽኣሉ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ናብራ ምኽባድ ተወሲኽዎ፡ ኣብ መዓልታዊ ናብርኦም ፀገም ይፈጥር ከም ዘሎ ይዛረቡ። ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ፡ እዚ ስምምዕ ዝኸደሉ መገድን ሒዝዎ ዝመፅእ ለውጥን እንተልዩ ንምርኣይ፡ ብተስፋ ከም ዝፅበዩ ይገልፁ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58644951"} {"headline":"ሓንቲ ኣመሪካዊት ከተማ ንግዳያት ኣድልዎ ዝነበሩ ነበርታ ካሕሳ ክትከፍል ወሲና","content":"ኣብ ኣመሪካ፡ ኣብ ቺካጎ እትርከብ ሓንቲ ከተማ መንበሪ ገዛ ንምርካብ ንዝተጓነዩ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ነበርታ ካሕሳ እትኸፍል ፈላመይቲ ከተማ ክትከውን እያ። ቤት ምኽሪ ከተማ ኢቫንስቶን፡ 16 ጸለምቲ ስድራቤታት ተጠቀምቲ ናይቲ ውሳነ ንክኾኑ፡ ሸሞንተ ብሓደ ብዝኾነ ድምጺ ክትውስን እንከላ፡ ንነፍሲ ወከፎም 25 ሽሕ ዶላር ክትህቦም'ያ። እዚ ናይ ገንዘብ ካሕሳ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ሕጋዊነት ካብ ዝረኸበ መሸጣ ማሪዋና ዝርከብ እቶት ዝወሃብ ክኸውን እዩ። ብርክት ዝበሉ ጸለምቲ ኣመሪካውያን፡ ብምኽንያት ዓሌታዊ ኣድልዎ ዝነበሮ ውሳነታት መንበሪ ገዛ ንምውናን ከም ዝተጸገሙ ይግለጽ። እዞም ተጠቀምቲ እዚ ሓድሽ ውሳነ ክኾኑ'ዮም ዝተባህሉ ጸለምቲ፡ ካብ 1919 ክሳብ 1969 ተቐማጦ እታ ከተማ ዝነበሩ ወይ'ውን ኣባላት ስድራቤት ነበርቲ ዝኾኑ'ዮም ተባሂሉ ኣሎ። ንሳቶም: ብምኽንያት ኣብቲ እዋን ዝነበረ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ እታ ከተማ: ግዳያት ኣድልዎ መንበሪ ኣባይቲ ዝነበሩ ክኾኑ ኣለዎም። ኣስታት 16 ሚኢታዊት ነበርቲ ከተማ ኢቫንስቶን ጸለምቲ ክኾኑ እንከለው፡ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት 10 ሚሊየን ዶላር ምስ ካሕሳ ዝተሓሓዝ ወጻኢ ክትገብር መደብ ኣለዋ። \"ኣብ ሕሉፍ ካብ ዝበጽሕ ዝነበረ ጉድኣት ተበጊሱ ተጠቀምቲ ክንከውን ስለ ዝተሓስበ ሕጉሳት ኢና\" ክብል ኣቦ መንበር ሃገራዊ ልፍንቲ ካሕሳ ጸለምቲ ኣብ ኣመሪካ ካም ሆዋርድ ንመደበር ተለቪዥን ሲ-ቢ-ኤስ ተዛሪቡ። ኣብ 1968፡ ኣብ ኢቫንስቶን ሕጊ መንበሪ ኣባይቲ'ኳ እንተጸደቐ፡ ክሳብ 1985 ግን ጸለምቲ ካብታ ከተማ እናተደፍኡ ኣብ ጸግዓ ጸግዒ ክሰፍሩ ይግደዱ ከም ዝነበሩ ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብ ቀጻሊ ግዝኣት ካሊፎርኒያ፣ ከተማ ኣዮዋን ፕሮቪደንስእ፡ ከምኡ'ውን ግዝኣት ርሆደ ኣይላንድን ንዝነብሩ ጸለምቲ ካሕሳ ክኽፈሉ ይሕሰብ ከም ዘሎ ይግለጽ። ይኹን'ምበር ኣብ መላእ ኣመሪካ ንካሕሳ ዝድግፍ ኩነታት የለን። ሮይተርስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘካየዶ ዳህሳስ ከም ዝሕብሮ፡ \"ገንዘብ ከፈልቲ ግብሪ ኣብ ኣመሪካ ጊልያ ንዝነበሩ ሰባት ደቆም ካሕሳ ክኽፈል ኣለዎ\" ዝበሉ 20 ሚኢታዊት ጥራሕ'ዮም ነይሮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘጋጠመ ቅትለት ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ፡ ኣብታ ሃገር ንዘመናት ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዝተፈጸመ ጊልያነትን ዓሌታውነትን ካሕሳ ክኽፈሉ ዝገብር መስርሓት ክተኣታቶ ጸቕጢ ኣሕዲሩ'ዩ። ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ሚኒያፖሊስ፡ ፖሊስ ኣብ ክሳዱ ረጊጹ ምስ ቀተሎ ኣብ መላእ ዓለም ሓያል ተቓውሞን ናዕብን ከም ዘልዓለ ይዝከር።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56487728"} {"headline":"ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ቱልሳ፡ ፕሬዝደንት ባይደን መበል 100 ዓመት እቲ ህልቂት ዘኪሩ","content":"ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ኣብታ ታሪኽ ኣመሪካ እቲ ዝኸፍአ ተባሂሉ ዝፍለጥ ብ1921 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ዘጋጠመ ዓሌታዊ ጎንጺ ዘስዓቦ ጨፍጫፍ ቱልሳ ዝዘከረ ፈላማይ ፕሬዝደንት ኣመሪካ ኮይኑ። እቲ ፕሬዝደንት ትማሊ ናብ ኦክላሆማ ከተማ ቱልሳ ተጓዒዙ መበል 100 ዓመት እቲ ህይወት ኣስታት 300 ሽሕ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ዝቐተለ መጥቃዕቲ ዘኪሩ። እዚ ናይ ክልተ መዓልታት ጎንጺ ብዕስለ ኣኽረርቲ ጸዓዱ ዝተላዕለ ኮይኑ ንዓሰርታት ዓመታት ካብ ታሪኽ እታ ሃገር ተሓኺኹ ክርሳዕ ተገይሩ ጸኒሑ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝካየዱ ዝነበሩ ተቓውሞታት ፍትሒ ዓሌታዊ መጥቃዕታት ግን ዳግም ሃገራዊ ጉዳይ ኮይኑ ክልዓል ገይሮም። ብ31 ግንቦት 1921 ጉጅለ ጽዓዱ ኣመሪካውያን ነቲ ጸለምቲ ከም ዝነብርሉ ዝፍለጥ ኣብ ከተማ ቱልሳ ዝርከብ ከባቢ ግሪንውድ ኣጥቂዖም። እቶም ጸዓዱ ኣመሪካውያን መንበሪ ኣባይትን ትካላት ንግድን ቅድሚ ምቅጻሎምን ምዕናዎምን፡ እቲ ከባቢ ናይታ ሃገር ሃፋትም ጸለምቲ ኣመሪካውያን ዝነብርሉ'ዩ ነይሩ። እንተኾነ በቲ ጎነጻዊ መጥቃዕቲ ኣማኢት ክሞቱ እንከለው፡ ብዙሓት ጸለምቲ ኣመሪካውያን ቖሲሎምን ቤት ንብረቶም ስኢኖምን'ዮም። ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ፡ ብርክት ዝበሉ መንግስታዊ ሰነዳት ጠፊኦም፡ ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ብዛዕባ እዚ ጨፍጫፍ ከየምሃራ ንዓመታት ዘሊቐን። ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ትማሊ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ \"ንነዊሕ ዓመታት ኣብዚ ቦታ ዝተፈጸመ ታሪኽ ብስቕታን ብጸሊም ካባን ተሓቢኡ'ዩ ጸኒሑ። እዚ ዓመጽ ዘይኮነ ጨፍጫፍ'ዩ ነይሩ፤ ሓደ ካብቲ ሕማቕ ታሪኽ ኣመሪካ'ውን እዩ\" ኢሉ። እቲ ፕሬዝደንት 31 ግንቦት መዓልቲ ዝኽሪ እቲ ጨፍጫፍ ክትከውን ኣዊጁ። \"ኣብ ሕግታትናን ፖሊሲታትናን ምምሕያሽ ብምግባር ዓሌታውነት ንምእላይን ፍትሒ ንምምጻእን መንግስቲ ብዕቱብ ይሰርሕ ኣሎ\" ይብል ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ዘውጽኦ መግለጺ። ካብቲ ጨፍጫፍ ሰለስተ ሰባት ጥራይ ብህይወት ክተርፉ ከለው፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ 101 ክሳብ 107 ክሊ ዕድመ ይርከቡ። ፕሬዝደንት ባይደን ከኣ ክረኽቦም ትጽቢት ኣሎ። ጨፍጫፍ ቱልሳ ምስ ተፈጸመ ክልተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዘ'ውን ዕስለ ጽዓዱ ኣመሪካውያን ኣብ ገጠር ፍሎሪዳ ዝርከብ ሮስውድ ዝተባህለ መንበሪ ጸለምቲ ኣጥቂዖም። ብሰኑይ ከንቲባ ቱልሳ ጂቲ ቢያንም: ምምሕዳር እታ ከተማ ሰላማውያን ሰባት ካብቲ መጥቃዕቲ ክሕሉ ዘይምኽኣሉ ይቕሬታ ሓቲቱ። \"ብ1921 ኣብ ምምሕዳር ቱልሳ ዝነበረ ዋላ ሓደ ሰብ ብህይወት እንተዘይሃለወ'ውን ነቲ መንግስቲ ዝተካእና ስለ ዝኾንና ክንገብሮ ዝግባእ ብዘይምግባርና ይቕሬታ ይሓትት። ኩሎም ግዳያት ኣብ ከተምኦም ዝሓሸ ነገር ክረኽቡ ይግብኦም፤ እዚ ዘይምርካቦም ግን የሕዝነኒ\" ክብል ኣብ ፌስቡክ ጽሒፉ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኮንግረስ ኣመሪካ ቐሪባ ምስክርነት ዝሃበት ጓል 107 ዓመት ቪኦላ ፍሌቸር \"ኣብታ ዕለት ኩሉ ነገር ኢና ስኢንና . . . ግሪንውድ መርኣያ ጸለምቲ ኣመሪካ ክህልወና ዝኽእል ነገራት'ያ ነይራ\" ኢላ። ፕሬዝደንት ባይደን ናብ ስልጣን ክመጽእ እንከሎ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዓሌታውነትን ዓሌታዊ ኣፈላላይን ንምፍታሕ ከም ዝሰርሕ ቃል ይኣቱ ነይሩ። በዚ መሰረት ምምሕዳር ባይደን ፍትሓዊ ዕደላ መንበሪ ኣባይቲ ንክህሉ ሓደሽቲ ሕግታት ብምትእትታው ኣብ ዕዳጋ ኣባይቲ ዘሎ ዓሌታዊ ኣፈላላይ ከም ዝፈትሕ ይሕብር። ብተወሳኺ ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ዝተፈላለየ ቑጠባዊ ዕድላት ክፍጠሩን ከም ግሪንውድ ዝበሉ ብኣግባቡ ዘይተመሓደሩ ከባቢታት ንምሕጋዝ 10 ቢሊየን ዶላር ንዳግመ ሕውየት ከም ዝህብን ገሊጹ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57291575"} {"headline":"ኲናት ትግራይ-ኢትዮጵያ፡ ተወለድቲ ትግራይ ብሰንኪ መንነቶም ዒላማ ከምዝኾኑ ይዛረቡ","content":"ካብ ትግራይ ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ኢትዮጵያ ዝነብሩ ተጋሩ: ሕዳር 4 ኣብ ዓዶም ኵናት ምስተኸፈተ ዘጋጠሞም ምንክልባት፣ ማእሰርትን ምግላልን ንቢቢሲ ኣዘንትዮም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ትግራይ ዝኸፈቶ ኲናት ኣንጻር ኣብ ውሽጢ ህወሓት ኣሎ ንዝበሎ \"ገበነኛ ጉጅለ\" ከም ዝኾነ'ኳ እንተገለጸ: ካብ ካልእ ክፋል እታ ሃገር ዝተረኸበ ጸብጻብ ግን ብሄር መሰረት ዝገበረ ኣድልዎ ኣካል እቲ ዘጋጠመ ቅልውላው ከም ዝኾነ ይገልጽ። ኢትዮጵያ ኣስታት 110 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ ካብዚኣቶም እቶም 6 ምኢታዊት ተወለድቲ ብሄረ ትግራይ እዮም። ብዙሓት ተጋሩ ድማ ካብ ትግራይ ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ከምዝቕመጡ ጸብጻባት ይሕብሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሄር መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ኣሎ ንዝብል ክሲ ዝነጸጎ ኮይኑ፡ እቶም ኣብ ውልቀ ሰባት ተሞርኪሶም ዝተወሰዱ ስጉምትታት ድማ መእንተ ድሕነት ተባሂሉ ከም ዝተገበረ ኣፍሊጡ። ገለ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣብ ወተሃደራውን ጸጥታውን ምሕደራ ዝሰርሑ ሰባት ግን ዕጥቆም ፈቲሖም ኣብ ገዝኦም ኮፍ ክብሉ ከምዝተነገሮም'ዮም ዝገልጹ። \"ዕጥቕኺ ኣረክቢ\" ኣብ ኮምሽን ፌደራል ፖሊስ ንልዕሊ 20 ዓመታት ከምዝሰረሐት እትገልጽ ኣባል ፖሊስ ካብኣቶም ሓንቲ እያ። ኣብ ግዜ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣባል ህወሓት እያ ነይራ። እቲ ግጭት ምስተወልዐ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ሓለቕኣ ደዊሉ ኣብ ቤት ጽሕፈት መጺኣ 'ሪፖርት' ክትገብር ከም ዝሓበራ ትገልጽ። ንጽባሒቱ ናብ ቤት ጽሕፈት ምስከደት ከኣ \"መንግስታዊ ንብረትን ዕጥቀይን ከረክብ ተኣዚዘ\" ትብል። ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ኮምሽን ዝኾኑ ተወለድቲ ብሄረ ትግራይ'ውን ተመሳሳሊ ትእዛዝ ከምዝተውሃቦም ወሲኻ ገሊጻ። መንግስቲ ብዛዕባ እቲ ብሰንኪ ብሄሮም ዕጥቆም ክፈትሑ ተገዲዶም ዝብል ክሲ ምላሽ ኣይሃበሉን። ላዕለዋይ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዝኾነ ኣቶ ማሞ ምህረቱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ጻኒሒት ግን \"ብሄርን መንነትን መሰረት ዝገበረ ኣፈጻጽማ ሕጊ ኣቕሊልና ዘይንርእዮን እንኹንኖን ተግባር'ዩ፣ ቅቡሉነት ከኣ የብሉን\" ኢሉ። ይኹን እምበር \"ንትካላት ድሕነት ሓላፍነት ዝተመልኦ ስጉምቲ ክወስዱ ግን ንጹር ዝኾነ ትእዛዝ ተዋሂብዎም እዩ\" ዝበለ ኣቶ ማሞ ምህረቱ ትኹረቱ ድማ \"ኣብ ኣኽረርትን ጸረ ለውጢ ኣብ ዝኾኑ ባእታታትን ህወሓት'ዩ\" ኢሉ። ኣብ 2018 ፖለቲካዊ መዝነት ዝተረከበ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ መንነትን መሰላትን ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ብምኽባር ሃገራዊ ሓድነት ንምሕያል ፈቲኑ እዩ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ጎንጺ ራኢ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ንምዕዋት ክሳዕ ክንደየናይ ከቢድ ከምዝኾነ ኣቃሊዕዎ'ዩ። ቢቢሲ ንካልእ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንኣስታት 14 ዓመታት ዝሰርሐ ወተሃደር'ውን ኣዛሪቡ ነይሩ። ንሱን ካልኦት ብጾቱን ብሰንኪ ብሄሮም ከምዝተጓነዩ ድሕሪ ምግላጽ እቲ ስጉምቲ \"መሰንበዲ'ዩ\" ክብል ገሊጽዎ። ንገዛእ ርእሱ ሓዊስካ ካልኦት ኣስታት 90 ዝኾኑ ኣባላት ሰራዊት ተወለድቲ ትግራይ ብመሳርሕቶም ኣብ ኣዳራሽ ተፈልዮም ከምዝተትሓዙ ሓቢሩ። ቴሌፎኖም ተሓዲጎም ከም እሱራት ናይ ኵናት ኮይኖም ክጸንሑ ከምዝተገበረ ድማ ተዛሪቡ። እቲ ምእንተ ድሕነቱ ክበሃል ሽሙ ዘይንገልጾ ምንጪ ቢቢሲ፡ \"ተጋሩ ዘበልና ጥራይ ተጸዊዕና ኢና ዕጥቅና ኣረኪብና: ብሓንሳብ ኮፍ ክንብል ዝተገበርና፣ እዚ ድማ ብሰንኪ መንነትና ከምዝኾነ ዘጠራጥር ኣይኮነን\" ኢሉ። እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ኣባላት ሰራዊት ነቶም ትእዛዝ ዘውረዱሎም ሓለፍቲ ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝገበሩ ሕቶ ምስኣቕረቡሎም \"ህወሓት ኣብ መቐለ ዝርከብ እዚ ሰሜን ኣጥቂዑ ስለዘሎ፤ እቲ ትእዛዝ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝመጽአ'ዩ\" ዝብል ምላሽ ከምዝተውሃቦም እዩ ዝዛረብ። 'ዝተሓብኣ ልሳን' ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ኣባላት ሰራዊት ተወለድቲ ትግራይ ገሊኦም ስርዓት ደርግ ኣብ ምእላይ ዝተገበረ ዕጥቃዊ ቃልሲ ደጊፎም ምስ ህወሓት ኮይኖም ዝተቓለሱ እዮም። ደርጊ ኣብ 1991 ምስወደቐ ህወሓት ቀንዲ ቀላሳይ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኮይኑ ድሕሪ ምጽናሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስደየበ ግን ፖለቲካዊ ዓብላልነቶም ተመንጢሎም። ካብቶም ዕጥቆም ኣረኪቦም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ኣባላት ሰራዊት ገሊኦም ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮነናት ገሊኦም ድማ ኣብ ሶማልያ ኣኽበርቲ ሰላም ኮይኖም ዘገልገሉ ከም ዝርከብዎም ንቢቢሲ ዝሓበረ ምንጭና \"ንሃገሮምን ሰራዊት ምክልኻልን እንተይረብረቡ ዘገልገሉ ሰባት እዚ ክፍደዩ እዮም ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን ነይረ\" ይብል። እቲ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ወተሃደር ጸኒሑ ካብ እቲ ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዩሉ ዝነበረ ቀጽሪ ኣምሊጡ መንነቱ ከይፍለጥ ንገዛእ ርእሱ ሓቢኡ ናብ ጎረቤት ሃገር ሰጊሩ እዩ። ካብ እቲ ዘምለጠሉ ቦታ ናብ እቲ ሕጂ ዝርከቦ ሃገር እንትጓዓዝ ትግራዋይ ምዃኑ ከይፈለጥ ናይ ትግርኛ ልሳኑ ሓቢኡ ከምሰዝገረ ድማ ተዛሪቡ። እቶም ኣብ ግዝያዊ መጽንሒ ዝገደፎም መሳርሕቱ ግን \"እንታይ ከምዝገብርዎም ኣይፍለጥን\" ክብል ስኽፍትኡ ገሊጹ። ካልኦት ቢቢሲ ዘዘራረቦም ምንጭታት እውን እንተኾነ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ይኹኑ ብጥሮታ ዝወጽኡ ተወለድቲ ትግራይ ገሊኦም ዝተኣሰሩ፣ ገሊኦም ገዝኦም ከምዝተፈተሸን ካብ ገዝኦም ከይወጽኡ ከምዝተነገሮምን ኣጣሊሎም። ቢቢሲ ንኤታ ማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ብዛዕባ እቲ ዝበሃል ዘሎ ሓሳብ መብርሂ ክህበና ደዊልናሉ፡ እቲ 'ጉዳይ ፖለቲካዊ' ስለዝኾነ ንዕኡ ዝምልከት ጉዳይ ከምዘይኮነ ምላሽ ሂቡና። እቲ ብሄር መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ግን፡ ኣብ ሓይልታት ምክልኻልን ጸጥታን ጥራይ ዝተገደበ ኣይኮነን። \"ክሲ ዝውውር ብረት\" ኣብ ኣዲሳ ኣበባ እትቕመጥ ምእንተ ድሕነታ ሽመይ ንዓኹም ዝበለትና ምንጪ ቢቢሲ ብወገና ዝሓለፈ ሰሙን ገዝኦም ብዕጡቓት ተኸቢቡ ከምዝተፈተሸን ንኣቦኣ ኣብቲ ገዛ ምስ ዝረኸብዎ ናይ ባንኪ ደፍተራትን ሒዞምዎ ከም ዝኸዱ ገሊጻ። ወላዲኣ ኣብ ሓደ ናይ ውልቀ ትካል ዘዋሪ መኪና ኮይኑ ከምዘሰርሕ ዝገለጸት እታ ምንጭና \"ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ትግራይ 6 ሚልዮን ብር ሒዝካ ከይድካ ኣብ መልስኻ ድማ ዕጥቅታት ሒዝካ መጺኢኻ\" ከምዝበልዎ ሓቢራ። ንሳ ግን ወላዲኣ መኪና ዘዊሩ ንገዛእ ርእሱ ዘመሓድር እምበር ከምዘይዋዕሎ እያ እትገልጽ። ኣቦኣ ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልቲ ማእሰርቲ ናብ ቤት ፍርዲ እንተይቐረበ ብናጻ ናብ ገዝኡ ከምዘሰናበትዎ'ውን ምንጭና ወሲኻ ገሊጻ። እቲ ጉዳይ፡ ብመንግስቲ ኣብ ዝመሓደራ ከም መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሰርሑ እውን ጸሊይዎም እዩ። ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝሰርሑ ገለ ተጋሩ ተገዲዶም ዓመታዊ ዕረፍቲ ክወጽኡን ገሊኦም ድማ ተወሳኺ መምርሒ ክሳብ ዝወሃቦም ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክሰርሑ ከምዝተነገሮምን ምንጭታት ቢቢሲ ሓቢሮም። ቢቢሲ ካብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ርእይቶ ንምርካብ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ጻዕሪ ኣይሰመረን። ትካል መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤት ጽሕፈቱ ብዛዕባ ናይ ሰራሕተኛታቱ መንነት እንኮላይ ትውልዲ ዓዶም ዝገልጽ መብርሂ ክህብ ብፖሊስ ከምዝተሓተተ ኣብ ቀረባ እዋን ኣፍሊጡ ነይሩ። ትካል መግቢ ዓለም እቲ መረዳእታ ከምዘይብሉ ብምግላጽ ካብ ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ብዝገበሮ ምጽራይ ግን እቲ ብፖሊስ ዝቐረበ ሕቶ ወግዓዊ ፖሊስኦም ከምዘይኮነ ምርግጋጹ ሓቢሩ። መንግስቲ ፌደራል እቲ ክስተት ምስ ብሄር መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ምትሕሓዙ \"ነቲ ዘሎ ኩነት ፍጹም ዘይገልጽ'ዩ\" ክብል ገሊጽዎ። እቲ ፖሊስ ኣብ ውሽጢ ዘቤታውን ዓለምለኻውን ትካላት ዝሰርሑ ኣበላት ህወሓት ጥራይ ዘነጻጸረ ናይ ድሕነት ምጽራይ ወፍሪ ከምዝተውሃቦ'ውን ወሲኹ ገሊጹ። እቲ ወፍሪ ዝተውሃቦ ፖሊስ ናብ ቤት ጽሕፈት ትካል መግቢ ዓለም ብምኻድ ካብ እቶም ዝሓዞም ሽም ዝርዝራት ኣብኡ ዝሰርሑ እንተኾይኖም ከጻሪ ከም ዝኸደ መንግስቲ ፌደራል ገሊጹ። እቲ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ድሕነት ጸጥታን ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ስርሒት እንተይኮነስ ሰብ ስልጣን መንግስቲ ፌደራል ብዛዕባ ካብ ትግራይ ወጻኢ ዝርከቡ ደገፍቲ ህወሓት'ውን ከም ዘጨንቖም ግልጺ ኮይኑ ኣሎ። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰባት ግን ዋላ ሓንቲ ዝፈጸምዎ ዘይብሎም ተጋሩ ጥራይ ብምዃኖም ግዳይ መጥቃዕቲ ይኾኑ ከምዘለዉ እዮም ሓቢሮም። ፈተና ሓድነት እቲ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ኣብዝሓጸረ እዋን እንተድኣ ተዛዚሙ ብሄር መሰረት ዝገበሩ ምትፍናናት ከብቅዑ ይኽእሉ ይኾኑ። ንነዊሕ እዋን እንተቐጺሉ ግን ህይወት ካብ ትግራይ ወጻኢ ናይ ዝነብሩ ተጋሩ ከኽብዶ ከምዝኽእል ስክፍታት ኣለዉ። ህወሓት ዓንቃፊ ሃገራዊ ሓድነት ገይሩ ካብ ዝርኢ ምልከታ ብተወሳኺ እቲ ሕጂ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ንገዛእ ርእሱ ሸቶ ምርግጋጽ ሃገራዊ ሓድነት እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ቀንዲ ማሕለኻ ኮይኑ ከምዝቕጽል ዘጠራጥር ከምዘይኮነ ይግለጽ። ላዕለዋይ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣቶ ማሞ ምህረቱ፡ እቲ መንግስቲ ዝገብሮም ዘሎ ኩሎም ተግባራት ሓድነቱ ዝጠንከረ ማሕበረሰብ ንምፍጣር ከም ዝኾነ እኳ እንተገለጸ፡ እቲ ሕጂ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጎንጺ ግን ነቲ ዕላማን ራእን ክፈታተኖ ይኽእል እዩ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54962904"} {"headline":"ዕጡቓት ቤኒሻንጉል ሸሞንተ ሰባት ከምዝቐተሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሸሞንተ ሰባት ከምዝቐተሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ኣብ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዞባ ካማሺ ወረዳ ምንጅጃ፤ ዕጡቓት ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ 8 ነበርቲ ከምዝተቐተሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓቢሩ። ስግኣት ዝሓደሮም ኣስታት 4 ሽሕ ነበርቲ ካብ ዝነብሩሉ ቀበሌ ከምዝተፈናቐሉን ኣብ ወረዳ ምንጅጋ ከምዘዕቖቡን እቲ ኮሚሽን ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣመልኪቱ። ድሕነት ሲቪል ዜጋታት ንምውሓስ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክውሰድ ከምዝግባእ ከኣ ብጥብቂ ኣተሓሳሲቡ። ቅድሚኡ ማለት ኣብ 3ን 4ን ሓምለ 2013 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ብዝተወለዐ ጎንጺ’ውን ብውሑዱ 16 ሰባት ከምዝተቐተሉ ኣብ መግለጺኡ ወሲኹ ሓቢሩ። እቲ ጎንጺ ከኣ ኣብቲ ክልል ዞባ መተከል ወረዳ ቡለን ኣብ እትርከብ ኢማንጅ ዝተባሃለት ቀበሌ ከምዝተወለዐ ኣመልኪቱ። ስርዓተ ቀብሪ ናይ ሓደ ብዕጡቓት ከምዝተቐተለ ዝተገለጸ ውልቀሰብ ኣብ ዝፍጸመሉ ዝነበረ እዋን ብዝተኸፈተ መጥቃዕቲ ተወሰኽቲ 15 ከምዝተቐተሉ’ዩ ዝግለጽ። 4 ሓምለ 2013 ዝተፈጸመ ከኣ ዓጸፋዊ ምዃኑ ከምዝተሓበሮ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ከኣ መንግስቲ እቲ ክልል ምስ ሓይሊ ዕማም ብምትሕብባር ናይ ምርግጋእን ምውሓስ ድሕነትን ስራሕቲ ሰሪሖም። ነቶም ናብ ወረዳ ምጅንጋ ኣዕቚቦም ዘለዉ ተፈናቐልቲ ከኣ ሓለዋ ክግበረሎም ኣተሓሳሲቡ። ሰላምን ድሕነትን እቲ ክልል ብቐጻልነት ንምርግጋጽ እቶም ነቲ ተግባር ዝፈጸሙ ኣካላት ብቕልጡፍ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ምግባር ኣገዳሲ’ዩ ኢሉ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57873525"} {"headline":"ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ልዕሊ 80 ሰባት ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ትማሊ 4 ጥሪ 2013 ዓም ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ዞባ መተከል ወረዳ ደባተ ከተማ ዳለቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 80 ሰባት ከምዝተቐተሉ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵይ ገሊጹ። ላዕለዋይ ኣማኻርን ወሃቢ ቃልን እቲ ኮምሽን ኣቶ ኣሮን ማሾ ንቢቢሲ ከምዝገለጾ፡ በቲ መጥቃዕቲ ካብ 2 ክሳብ 45 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ሰባት ልዕሊ 80 ሰባት ተቐቲሎም። ብተመሳሳሊ ነበርቲ ክልል ቤኒሻንጉል ዞባ መተከል ንቢቢሲ ከምዝገለጽዎ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ዞባ ብዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ብዙሓት ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ንብረት ዓንዩን ገዛውቲ ተቓጺሎምን። ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ነባሪ ማንዱራ ግን \"እቲ ከባቢ ተረጋጊኡ'ሎ ዝብል ዘረባ ሓቅነት የብሉን\" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። \"ናይ ፖለቲካ ጸዋታ ኣይኮነን ዘድልይ እቲ ሓቂ ክዝረብ ኣለዎ\" ዝበለ እቲ ነባሪ፤ ሕዚ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዝፍጸሙ መጥቃዕትታት ህይወት ሰባት ይጠፍእ ከምዘሎ ሓቢሩ። \"ብቕድሚ ትማሊ [ሰኑይ] ሓንቲ ካብ ወረዳታት ዞባ መተክል ኣብ ዝኾነት ዳንጉር [ቅድም ክብል ሰብ ሞያ ጥዕና ዝተዓፈኑሉ ከባቢ] ምሸት ሰብ ተቐቲሉ። ካብ ቻግኒ ናብ ግልገል በለስ ትኸይድ ኣብ ልዕሊ ዝነበረት ህዝባዊ መጓዓዝያ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓደ ሰብ ክመውት ከሎ ሰለስተ ቖሲሎም\" ክብል ኣረዲኡ። ብተመሳሳሊ ብሰሉስ ናብ ግልገል በለስ ትኸይድ ዝነበረት መኪና 'ኤዲዳ' ወይ 'ቁጥር ሁለት' ኣብ ዝበሃል ከባቢ መጥቃዕቲ ስለዝተፈጸማ ዝሞተ ሰብ ከምዘሎ ሓቢሩ። \"ሓደ ሰብ ክመውት ከሎ፤ ክልተ ዝቖሰሉ ኣብ ሕክምና ይርከቡ። ኣብ ወረዳ ድባጤ ቀበሌ ዳለቲ'ውን ሓደ ሰብ ተቐቲሉ። ገዛውቲ ይቃጸሉ ኣለዉ። ንሓገዝ ዝበጽሐልና ኣካል የለን\" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ኣብ ወረዳ ጉባ ብሰኑይ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ሰባት 15 ከምዝበጽሑ ቢቢሲ ካብ ነበርቲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት። ሰብመዚ እቲ ከባቢ ግን ነዚ ከረጋግጹ ኮነ \"ጌጋ'ዩ\" ክብሉ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን። \"ቅድም ክብል ንመንነት መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ይፍጸም ነይሩ። ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ ግን 'ቀይሕ' ዝበሃል ሺናሻ ይኹን ኦሮሞ፤ ኣገው ይኹን ኣምሓራ ወይ ተወላዲ ትግራይ እናተፈለየ እዩ ግዳይ መጥቃዕቲ ዝኸውን ዘሎ\" ይብል ቢቢሲ ዘዘራረቦ ነባሪ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝፍጸም ቅትለትን ዕንወት ንብረትን ኣብ ዝርእዩሉ ዘለዉ እዋን 'እቲ ከባቢ ተረጋጊኡ'ሎ' ብዝብል ዝግለጸሉ መገዲ ልክዕ ከምዘይኮነ ኣብ ስግኣት ዝርከብ ነባሪ ንቢቢሲ ሓቢሩ። \"ምስ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ብምዃን ንግዳያት ዘሳተፈ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክምስረት እንተዘይተገይሩን ኣብ ልዕሊ ነቲ መጥቃእቲ ዝፍጽሙ ስጉምቲ እንተዘይተወሲዱን እቲ መጥቃዕቲ ክቕጽል ይኽእል'ዩ\" ክብል ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ። ካልእ ነባሪ እቲ ከባቢ ድማ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ወረዳ ጉባ ቀበሌ 'ኣይሚሽሚሽ' መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ብምሕባር፤ በቲ መጥቃዕቲ ኣዲኡ ሓዚላቶ ዝነበረት ህጻን ዝርከቦም 11 ሰባት ከምዝሞቱ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። \"ሰኑይ ንጉሆ ከባቢ ሰዓት 12፡30 [ኣ.ኢ] እቲ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ። ኣነ ኣብ ኣልመሃል እየ ዘለኹ፤ ሽዑ ተደዊሉኒ። ንኣባላት ምክልኻል ሃገር ሓበሬታ ምስሃብናዮም ድማ ኣስከሬን ግዳያት ክለዓል ተገይሩ። ምሸት ኣብ ኣልመሃል ቤተክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል ተቐቢሮም\" ኢሉ። ገዛውትን ዝተፈላለየ ንብረትን ከምዝተቓጸለን ከምዝተዘመተን እውን ወሲኹ ሓቢሩ። ንሱ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ዘለዉ ኣካላት ንኣካላት ሕጊ እንተፍለጡ'ኳ ዳግም ካብ ማእሰርቲ እናተፈትሑ ነቲ መጥቃዕቲ ይመርሑ ከምዘለዉ ይዛረብ። ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ንኣዋርሕ ብዝቐጸለ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ብዙሓት ነበርቲ ግዳያት ከምዝኾኑ ይግለጽ። ብ13 ታሕሳስ 2013 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ጥራይ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝሞቱ ይዝከር። ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ዞባ መተከል ዝፍጸሙ ቅትለት ሰላማውያን ሰባት ደው ንምባል ከኣ ብቐዳማይ ሚንስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝቖመ ሓይሊ ዕማም ንስራሕቲ ጸጥታን ምኽባር ሕግን እቲ ክልል ተረኪቡ ይሰርሕ ምህላዉ ይፍለጥ። ባይቶ እቲ ክልል ምስቲ ብ13 ታሕሳስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ 'ተሳትፎ ኣለዎም' ብዝብል ዝተጠርጠሩ ኣርባዕተ ኣባላት ቤትምኽሪ ክልል ቤኒሻንጉል-ጉሙዝ ናይ ዘይምኽሳስ መሰሎም ከምዝቐንጠጠ ይዝከር።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55643114"} {"headline":"ንቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ ዝሰኣለት መንእሰይ ሽልማት ጋዜጠኝነት ተሸሊማ","content":"ንቅትለት እቲ ብፃዕዳ ፖሊስ ህይወቱ ዝሓለፈ ጆርጅ ፍሎይድ፡ ብተንቀሳቓሲ ምስሊ ዝቐረፀት (ዝሰኣለት) መንእሰይ፡ ብቦርድ ፑልትዘር ፍሉይ ሽልማት ጋዜጠኝነት ተሸሊማ። ን ጓል 18 ዓመት ዳርኔላ ፍረይዘር ንሽልማት ዝሓረየ ኮሚቴ ፑልትዘር፡ ብዘርኣየቶ ትብዓት ከምዝሸለማ ገሊፁ። ቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ ዘርእይ ንሳ ዝቐረፀቶ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ነዚ ዓሌታዊ ቅትለት ፍትሒ ክወሃብ ዝጉስጉሱ ሰልፍታት ተቓውሞ ኣብ መላእ ዓለም ክካየድ ካብ ምድራኽ ብዝዘለለ፡ መርመርቲ'ውን፡ ነዚ ቅትለት ኣብ ልዕሊ ዝፈፀመ ፖሊስ ድሬክ ቻውቪን፡ ከም መርትዖ ተጠቒሞምሉ'ዮም። ፑልትዘርስ፡ ኣብ ኣሜሪካ ዓብይ ክብሪ ዝወሃቦ ሽልማት ጋዜጠኝነት እዩ። ኮሚቴ ፑልትዘር፡ ንዳርኔላ ፍረይዘር \"ብትብዓት ንዝቐረፀቶ ቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ (ቪድዮ) ኢና ሸሊምናያ፤ እዚ ቪድዮ ኣብ መላእ ዓለም ኣንፃር እቲ ብፖሊስ ዝተፈፀመ ጭካነ ሰልፍታት ተቓውሞ ክካየድ ደሪኹ፣ ዜጋታት ኣብ ጋዜጠኛታት ዘለዎም ግደ'ውን ዘጉለሐ እዩ፡ ምንዳይ ሓቅን ፍትሕን\" ኢሉ። ፍረይዘር ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 25 ግንበት ኣብ ሚንያፖሊስ ምስ ወዲሓውቦኣ ናይ እግሪ ጉዕዞ ኣብ ትገብረሉ እያ፡ ማእሰርቲ ፍሎይድ ዝረኣየት። \"ሓደ ሰብኣይ ኣብ ራዕዲ ኮይኑ፡ ምእንቲ ህይወቱ ክልምን ርእየ\" ብምባል፡ ነቲ ፍፃመ ብሞባይላ ክትቀድሖ ከምዝጀመረት፡ ኣብ መፈለምታ እዚ ዓመት ናብ ቤት-ፍርዲ ቀሪባ ገሊፃ እያ። ነቲ ቤት-ፍርዲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ጆርጅ ፍሎይድ 'ክትንፍስ ኣይከኣልኩን' ይብል ኔሩ፡ ፈሪሑ ስለዝነበረ ከኣ፡ ንኣዲኡ ይፅውዕ ኔሩ\" ኢላ። እዚ ዝተዘርገሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣብ መላእ ዓለም ተቓውሞታት ክካየድ ዘበገሰን፡ ኣብ ኣሜሪካ ዘሎ ዓሌታዊ ቀመር ዘንፀባረቐን ኮይኑ። ቅትለት ፍሎይድ፡ ኣንፃር ፀዓዱ ዘይኮኑ ሰባት ብፖሊስ ንዝፍፀም ጭካነ ትእምርቲ ኮይኑ፤ ዓሌታዊ ፍትሒ ክነግስ ዝጉስጉስ ዓለማዊ ሰልፍታት ክካየዱ ድማ ምኽያት ኮይኑ እዩ። እዚ ምስሊ፡ ንጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ልዕሊ ዝቐተለ ፖሊስ ዴሪክ ቻውቪን ኣብ መፈለምታ እዚ ዓመት መርትዖ ኮይኑ'ዩ። ደሓር ድማ ቻውቪን ብካልኣይን ሳልሳይ ዲግሪ ቅትለትን ሳልሳይ ዲግሪ ነብሲ ምጥፋእን ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ። ዳርኔላ ፍሬይዘር ምርመራ ኣብ ዝካየደሉ ግዘ ቀሪባ፡ ቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ ህይወታ ከምዝቐየሮ'ያ ገሊፃ። \"ጆርጅ ፍሎይድ ምስዝጥምት፡ ንኣቦይ እየ ርእየ፣ ንሓወይ'የ ርእየ፣ ደቂ ሓው ኣቦታተይ፣ ኣኮታተይ፤ ምኽንያቱ ፀለምቲ ስለዝኾኑ፤ ኣብ ሓዲኦም ከምዝተፈፀመ ድማ ሓሲበዮ\" ኢላ፡ ብንብዓት ተሓፂባ ኣብ ዝሃበቶ ቃል።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57419405"} {"headline":"መንግስቲ ዚምባብዌ፡ ኣብ እዋን ሙጋቤ መሬቶም ንዝተሓደጉ ጸዓዱ ክመልሰሎም ወሲኑ","content":"መንግሰቲ ዚምባብዌ ቅድሚ 20 ዓመታት፡ ኣብታ ሃገር ጸዓዱ ዝውንንዎ ዝነበሩ ከምዘሕደጎም ዝዝከር ኮይኑ ሕጂ ግን ክመልሰሎም ምዃኑ ይገልጽ ኣሎ። ካብ 2000 ክሳብ 2001 ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣሽሓት ጸዓዱ ሓረስቶት፡ መንግስቲ እታ ሃገር ነቲ ዝውንንዎ ዝነበሩ መሬት ከምዘሕደጎም ዝዝከር እዩ። መንግስቲ ዚምባብዌ ነቲ ኣብ እዋን መግዛእቲ ‘ብጽዓዱ ተገቢቱ’ ዝበሎ መሬት ነቶም ወነንቱ ከሕድጎም ዝወሰነሉ ምኽንያት ነቲ ባዕዳዊ መግዛእታዊ ንምድምሳስኳ እንተነበረ እቲ ስጉምቲ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ፍሕፍሕ ፈጢሩ ንቁጠባ እታ ሃገር’ውን ንድሕሪት ንኽጉተት ምኽንያት ኮይኑ እዩ። ነቶም መሬቶም ዝተገበቶም ጸዓዱ ካልእ መከሓሓሲ መደብ’ውን ተሰሪዕሎም ኣሎ። መንግስቲ ዚምባብዌ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ምህናጽ ትሕተ ቅርጺ ሕርሸኦም ዝውዕል 3.5 ቢልዮን ዶላር ክስልዓሎም ቃል ከምዝኣተወሎም ዝዝከር እዩ። መንግስቲ ኣሜሪካ’ውን እቲ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ዚምባብዌ ኣንቢራቶ ዘላ ቁጠባዊ እገዳ ንኸተልዕሎ እቶም ብመንግስቲ ዚምባብዌ መሬቶም ዝተሓደጉ ጸዓዱ ሓረስቶት ክካሓሱ ኣለዎም ዝብል ቅድመ ኵነት ከቅርብ ጸኒሑ እዩ። መንግስቲ ዚምባብዌ እንታይ እዩ ቃል ኣትዩ ዘሎ? መንግስቲ ዙምባቤው ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግልጺ፡ መሬትና ተሓዲግና ዝብሉ ዜጋታት ወጻኢ መሬቶም ንኽምለሰሎም ከመልክቱ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ ኣሎ። እቶም ዝበዝሑ ካብ ሆላንድ፤ ዓባይ ብርጣንያን ጀርመንን ዝኾኑ ኣማኢት ኣውሮጵውያን ሓረስቶት ካብዚ መንግስቲ ዚምባብዌ ቃል ኣትዩሎም ዘሎ ሓዲሽ እማመ ክረብሑ ከምዝኽእሉ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። እቲ ጸዓዱ መሬቶም ክሕደጉ ኣለዎም ዝብል ስጉምቲ ኣብ እዋን መሪሕነት ነብስሄር ሮበርት ሙጋበ’ዩ ተኻይዱ። እቲ ፕረዚደንት ዚምባብዌ ነበር ሮበርት ሙጋበ ነቲ ስጉምቲ ክወስድ እንከሎ፡ እቲ ለልምዑ መሬት ዙምባቤው ኣብ እዋን መግዛእቲ በቶም ጸዓዱ ከምዝተገበተ ብምግላጽ እቲ ዝብዝሐ ወዲ ዜጋን ጸሊምን ግን ደረቅን ንእሽተይን መሬት ከምዝውንን ብምግላጽ ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰዶ እዩ ዝሕብር። በቲ መንግስቲ ሮበርት ምጋቤ ዝወሰኖ፡ ነቶም ቀንዲ ዓንዲ ሕቆ ሕርሻዊ ቁጠባ እታ ሃገር ዝነበሩ ልዕሊ 4000 ጸዓዱ ሓርስቶት መሬቶም የሕዲጉ ንሚልዮናት ዚምባብዌያውያን ከምዝከፋፈል እዩ ገይሩ። እቲ ብሚኒሰትሪ ሕርሻን ሚኒሰትሪ ፋይናንስን እታ ሃገር ብጋሓባር ዝወጽአ መግለጺ እቶም ካብቲ ጸዓዱ ዝውንንዎ ዝነበሩ መሬት ዝተወሃቡ ጸለምቲ ሓርስቶት እቲ ተዋሂብዎም ዝነበረ መሬት ክመልስዎ ምኳኖም እዩ ዝግለጽ ዘሎ። እቲ ብሰኑይ ዝወጽአ መግለጺ ነቶም ጸለምቲ ከም መከሓሓሲ ኣብ ካልእ ቦታ መሬት ክውሃቦም ምኳኑ’ውን ገሊጹ ኣሎ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53995616"} {"headline":"ቀታሊ ጆርጅ ፍሎይድ ጉዳዩ ብኻልእ ዳኛ ደጊሙ ክረአየሉ ጠሪዑ","content":"እቲ ንጸሊም ጆርጅ ፍሎይድ ቀቲሉ ተባሂሉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተፈረደ ጻዕዳ ኣባል ፖሊስ ግዝኣት ሚኒፕሊስ ነበር ዴሪክ ቻውቪን ጉዳዩ ብካልእ ቤት ፍርዲ ደጊሙ ክረአየሉ ጥርዓን ኣቕሪቡ። ጉጅለ ጠበቓታት ዴሪክ ቻውቪን ፡ ብኣኽባሪ ሕግን ነቲ ጉዳይ ዝረአዩ ዳያኑን ተፈጺሙ ዝበሎ ናይ ስነ-ምግባር ጉድለት ዘርኢ ናይ ቤት ፍርዲ ሰነዳት ሒዞም ኣቕሪቦም። እቲ ንጆርጅ ፍሎይድ ብምቕታል ብመሰኻኽር ተረጋጊጹ ዝተፈርደ ቻውቪን፡ ንጆርጅ ፍሎይድ ንልዕሊ 9 ደቒቓ ክሳዱ ረጊጹ ኣሳቕዩ ከምዝቐተሎ ዝተቐርጸ ተንቀሳቐሲ ምስሊ የርኢ። እቲ ፍጻመ፡ ኣብ ኣመሪካን ካብኡ ወጻእ ኣብ መላእ ዓለምን፡ ዛዕባ ዓሌታዊነት ኣጀንዳ ኣልዒሉ፡ ብዙሓት ተቓውሞታትን ናዕብን ኣስዒቡ ነይሩ። እቲ ፖሊስ ድማ፡ ድሕሪ ነዊሕ ናይ ቤት ፍርዲ ሞገትን ክትዕን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ገበነኛ ተባሂሉ ተፈሪዱ። ሓደ ካብቶም ጠበቓታት እቲ ፖሊስ ዝኾነ ኤሪክ ሌልሶን ግን፡ እቲ ከይዲ ሕጊ በቲ ቐዲሙ ዝተገብረ ናይ ሚድያ ውዕውዕ ተጸልዩ እዩ ዝብል መጎት ዝሓዘ ሰነድ እዩ ኣቕሪቡ። ንሱ፡ ቅድሙን ድሑርን እቲ ከይዲ ቤት ፍርዲ ዝነበረ ውዕውዕ፤ መሰረታዊ ናይቲ ሞገት መልክዕ ክቕየርን ሚዛኑ ክስሕትን ምኽንያት ኮይኑ እዩ ይብል። ከምኡ'ውን፡ እተ ተቓውሞ [ሞሽን] እቲ ብይን ዝሓዘ ሰነድ፡ በቲ ኣኽባሪ ሕጊ ተፈጺሙ ዝበሎ ናይ ስነምግባር ጉድለትን፡ ናይ መሰኻኽር ምፍርራሕን ከምዝነበነረ ገሊጹ። ገለ መራኸቢ ሓፋሽ ኣመሪካ ከምዝጸብጸበኦ፡ ብይን ምስተውሃበ ተቓውሞ ክለዓልን እቲ ጉዳይ ደጊሙ ክረአ ምግባርን ኣብታ ሃገር ዘይተለምደ ኣይኮነን ኢለን ኣለዋ። እንተኾነ ኒውዮርክ ታይምስ ንሰብ ሞያ ሕጊ ኣዛሪቡ ሒዝዎ ኣብ ዝወጽአ ጸብጻብ፡ ምስቲ ዘሎ ምሉእ መረዳእታ፡ እቲ ብይን ክቕየር ዝኽእለሉ ኣጋጣሚ ከምዘይህሉ እዩ ዘረድእ። ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ክፍረድ ምርኣይ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፍት እዩ ተባሂሉ። እቲ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛ ፖሊስ ዝተመሓላለፈ ብይን 40 ዓመት ማእሰርቲ እንትኸውን፡ ካብ ዝቕጽል ወርሒ ጀሚሩ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከምርሕ ምዃኑ ምፍላጥ ተኻኢሉ። ብዛዕብኡ እንታይ ተባሂሉ ነይሩ? ወዲ 45 ዓመት ዴሪክ ቻውቪን ኣብ ክሳድ ጆርጅ ፍሎይድ ንልዕሊ 9 ደቓይቕ ተንበርኪኩ ዘርእይ ቪድዮ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ እዩ። እቲ ብብዝሒ ዝተርኣየ ቪድዮ ኣብ ዙርያ ዓለም ኣንጻር ዓሌታውነትን ሕሉፍ ምጥቃም ሓይልን ሓያል ተቓውሞ ኣልዒሉ እዩ። ቻውቪን ኣብ ሰለስተ ክስታት'ዩ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ፤ ካልኣይ ደረጃ ቅትለት ሰብ፡ ሳልሳይ ደረጃ ቅትለት ሰብን ሕልፈተ-ትንፋስን (ብወዝቢ)። ክሳዕ ፍርዲ ዝወሃቦ ድማ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሐ ኮይኑ፤ ንዓሰርተታት ዓመታት ክፍረድ ከም ዝኽእል ተገሚቱ ነይሩ። እቲ 12 ኣባላት ዘለዎ ጉጅለ ዳያኑ፡ ዘካየዶ መስርሕ ፍርዲ ብዙሓት ብቅርበት ክከታተልዎ ጸኒሖም እዮም። እቲ ብይን ድሕሪ ምግላጹ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ከባቢ እቲ ቤት ፍርዲ ሓጎሶም ክገልጹ ተራእዮም። ጠበቓ ስድራ ፍሎይድ፡ በን ክራምፕ እቲ ውሳነ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ \"ነጥበ መቐይሮ\" እዩ ክብል ተዛሪቡ። ንሱ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ \"ብቓንዛ ዝተረኽበ ፍትሒ ኣብ መፈጸምትኡ በጺሑ\" ድሕሪ ምባል \"ንሕጊ ዘፈጽሙ ኣካላት ብሓላፍነት ክሰርሑ ዘዘኻኽር ንጹር መልእኽቲ እዩ\" ኢሉ። ድሕሪ እቲ ብይን ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ምክትሉ ካማላ ሃሪስን ንስድራ ፍሎይድ ስልኪ ደዊሎም ከዘራርብዎም እንከለው፤ ሚስተር ባይደን \"ካልእ እንተተረፈ ሕጂ ገለ ፍትሒ ተረኺቡ ኣሎ\" ክብል ተሰሚዑ። \"ካልእ ብዙሕ ክንረክብ ኢና። እዚ ኣብ ልዕሊ ንጹር ክፍፍል ዓሌታውነት ዝውሰድ ናይ ፈለማ ስጉምቲ እዩ\" ኢሉ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56992016"} {"headline":"ትምኒት ገብሩ፡ ጉግልን ዓበይቲ ትካላት ቴክኖሎጅን ‘ዓሌታውያን’ዮም”","content":"ኣብ 'ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ' ዓቢ ስም ዘለዋ ዶክትር ትምኒት ገብሩ፡ ምስ ጉግል ናብ ምስሕሓብ ኣብ ዝኣተወትሉ ግዜ ኣብ ሰባት ኪንኡ ተምሳጥ ኣሕዶራ ትርከብ። ዶክተር ትምኒት ገብሩ፡ ምስ ብጸታ ኮይና ኣብ ዘዳለወቶ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ኣመልኪታ ሕቶ ስለዘቐረበት ካብ ስራሕ ከምዝተሰጎገት እያ ትሕብር። ካብዚ ብተወሳኺ ንሳን ደገፍታን ኣብ ዓበይቲ ትካላት ዝርአ ዓሌታዊ ኣድልዎታት’ውን ካብ ስራሕ ኣብ ምስጓጓ ሓደ ድፍኢት ከምዝኾነ ይኣምኑ። እቲ ምስ ብጾታ ኮይና ዘዳለወቶ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ብዛዕባ ኣጠቃቕማ ቋንቋ ኣብ ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጡ ኣንጻር ደቂ ኣንስትዮን ውሑዳንን ('ማይኖሪቲስ') ዝግበር ኣድልዎ’ውን ዝሓዘ እዩ። ጉግል እቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ከማልኦ ዝግበኦ ተወሳኺ ነጥባታት ኣሎ ስለዝበለ ዶክትረ ትምኒት ገብሩ ካብ ስራሓ ደው ክትብል ከምዝወሰነት ይዛረብ። ዶክተር ትምኒት ገብሩ እቲ ምጽናዕታዊ ጽሑፍ ንምንታይ ብቑዕ ከምዘይተበሃለ ንዘቕረበቶ ሕቶ፡ ልዕሊ 6000 ሰባት ነቲ ሕቶኣ ከምዝድግፍዎ ብኽታሞም ገሊጾም ኣለዉ። ካብቶም ንሕቶ ዶክተር ትምኒት ገብሩ ከምዝድግፉ ዝገለጹ ኣብ ጉግል ዓቢ ስም ዘለዎም ተመራመርቲ፡ ማይክሮሶፍት፡ ኣፕል፡ ፌስቡክ፡ ኣማዞንን ኔትፍሊክስን ይርከብዎም። ኣካያዲ ስራሕ ጉግል ሱንዳር ፒቻይ ብወገኑ “ብዓልቲ ብዜሕ ተውህቦ ጸላም ጓል ኣንስተይቲ ብኸምዚ ክትፍለየና? ተሓታትነትና ክንቕበል ከድሊ እዩ” ኢሉ። ንሱ ትካሎም ነቲ ጉዳይ ከጻርዩ ንኳኑ ብምሕባር፡ ንትምኒት ገብሩ ይቕሬታ ኣብ ምባል ግን ዝሕትል ኢሉ እዩ። ዶክተር ትምኒት ገብሩ ብመልሲ ትካላ ኣይተሓጎሰትን፡ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪታ’ውን ምስ ቢቢሲ ቃለ መሕተት ኣካይዳ ኣላ። ኣዝዩ ዘድክም ሳምንታት እዩ ነይሩ። ከምዚ ዘለኽዎ ብዙሕ ነገር ናባኻ ከተኩር ቀሊል ኣይኮነን። ኣብ ማእከል ማዕበል ዝተደርበኹ ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ ዘሎ። እቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ክሳብ ክንድዚ ማዕበላት ክፈጥር ትጽቢተይ ኣይነበረን። ብሓፈሻ እቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ስነ ምግባራዊ ኣጠቃቕማ ቋንቋ ኮይኑ፡ ሓደ ካብኡ ብዛዕባ ኣድልዎ እዩ። ጉግል እቲ ጽሑፍ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተገበረ መጽናዕቲ ኣብቲ ጽሑፍ ኣይሰፈረን እዩ ዝብል ብመጀመርታ እዚ ሓቂ ኣይኮነን። ካልኣይ፡ ሓቂ እንተኾይኑ ኢልና እውን ንሕሰብ፡ ስለዚ እቲ ተገይሩ ዝተበሃለ መጽናዕቲ ኣይተኻተተን ተባሂሉ ኣነ ካብ ሰራሕ ክስጎግ ኣለኒ ድዩ? ብዝኾነ እቲ ዝተበሃለ ሓቂ ኣይኮነን። ጻዕዳን ሰብኣይን ኔርኪ እንተትኾኒ፡ ጎግል ብኻልእ ኣገባብ ገይሩ ምሓዘኒ ነይሩ'ዶ ትብሊ? ብርግጽ ብዝተፈለየ ኣገባብ እየ ተታሒዘ። ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ዝተፈላለየ ዛዕባታት ከምዘስተባሃልክሉ፡ ጉግል ከምዚ ዓይነት ዘረባታት ኣርእስቲ ከይከውን ብተደጋጋሚ ክቃለሱ ጸኒሖም እዮም። ለማጽ ከምስልዎ ብዙሕ ተጋዲሎም’ዮም። እቲ ሕቶ ዘቕርብ ሰብ ካልእ ክኸውን እንከሎ እቲ ምምልላስ ናይ ዝረባ ልእም ዝበለ እዩ \"ተረዲእካ እዞም ሰባት ነዚ ትካል ኣዝዮም ኣገደስቲ እዮም፡ ብሉጻት እዮም ወዘተ\" እናተባሃለ እዩ ዝሕለፍ። ጉጅለይ ብምልኦም ኣብ ጎነይ’ዮም ዘለዉ፡ ንዓይ ብምሕጋዝን ኣብ ጎነይ ንምዃንን ዓቢ ስጉምቲ እዮም ዝወስዱ ዘለዉ። ሓላፊየይ ኣብ ጎነይ እዩ ዘሎ፤ ዋላ እዚ ኹሉ እናሃለወ ግን ጉግል ብኸምዚ ዝኸድዎ ዘለዉ እዮም ክሕዙኒ መሪጾም። ስለዚ ንኹሉ እዚ ኣብ ግምት ኣእትየ፡ ኣነ ብዝተፈለየ ኣገባብ ከምዝተተሓዝኩ እየ ዝፈልጥ። እወ፡ ጉግል ዓሌታዊ እዩ። ንኽትብሎ ኣይከብድን'ዶ? ክሳብ እዚ ቀረባ ግዜ ንስኺ’ውን ሰራሕተኛ ጉግል ኢኺ ነይርኪ። ዝበዝሓ ናይ ቴክኒሎጂ ትካላት፡ ዓሌታውያን እየን። እናፈለጥክዎ’ሞ ከመይ ኢለ’የ ዓሌታውነት የለን ክብል? ኣብ ቴክኖሊጂካውያን ትካላት ቁጽሪ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝወሓደሉ ምኽንያት መቸም ብኣጋጣሚ ዝመጽአ ክኸውን ኣይክእልን። ስለዚ ርግጸኛ ኮይነ ክዛረቦ ዝኽእል ጉግልን ካልኦት ቴክኖሎሎጂካውያን ትካላትን፡ ዓሌትነት ይኽተላ እየን። ኣይሰማማዕን’የ። ጉግል ኣብ ብዙሕነት ይኣምን እዩ ኢለ ኣይኣምንንን እየ ። ገለ ሕቶ ክልዓል እንከሎ “ሕራይ ሓንቲ ካብ ኩሉ ዝተዋጽአት ኮሚተ ከነዳሉ ኢና” ኢሎም ይምልሱ። ከምዚ ናይ ሕጂ በዳሂ ሕቶ ምስ ዝልዓል ግን እንታይ ከምዝገብሩ ርኢና ኢና። ከምዚ ናተይ ማለት እዩ፡ ስለዚ ጉግል ኣብ ብዙሕነት ይኣምንዩ ኢለ ክኣምን ንዓይ ከቢድ’ዩ። እቲ ትካል ኣብ ጉዳየይ ዝተኸተሎ ኣተሓሕዛ ኣመልኪቱ ይቕሬታ ኣይሓተተን። ስለዚ፡ ኣብዚ ጉዳያ ኣተሓሕዛና ጌጋ እዩ ነይሩ፤ በዚ ኸኣ ይቕሬታ ንሓትት ኣይበለን። ንትምኒት ዝበልናያን ዝገበርናያን ጌጋ እዩ ነይሩ ኣይበለን። ስለዚ ኣነ ከም ይቕሬታ ገይረ ኣይወስዶን እየ። እቲ ዝሃቦ መግለጺ ጉግል ሽሙ ንኸጸብቕ ኢሉ ዝገበሮ ምዃኑ ጥራይ እዩ ዝርድኣኒ። መጸኢ ናይ ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ከመይ ትርእይዮ፡ ኣድልዎን ዓሌታውነትን ክህሉ እዩዶ ትብሊ? ብርግጽ፡ ብዙሓት ሰባት ኣርተፊሻል ኢንተለጀንሲ ኣብ መጻኢ ቀንዲ ኣገባብ ዓሌታውነት ከምዝኸውን ይዛረቡ እዮም። ኣነ’ውን ተመሳሳሊ ርእይቶ’ዩ ዘለኒ፤ ብዙሕ ከኣ ይሻቐል። ካብዚ ብምብጋስ ኣነን ካልኦትን ብፍላይ ድማ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ እዚ ጽሒፍና ኢና፡ ትምህርቲ’ውን ንህባ ኢና። ምቕያር ናይ ሓይሊ እንተዘይሃልዩ ኸኣ፡ ንብዙሕ ሰብ ዘስግእ ነገር እዩ። ብሕጂ እንታይ እየ ክገብር ግዜ ወሲደ ዝሓስበሉ እዩ ክኸውን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ቀዳምነት ዝህቦ ነገር እንተሃልዩ፡ ድሕነት ናይቶም ንዓይ ዝድግፉ ዘለዉ ምሕላው እዩ። ብሰንክይ ኣብኦም ሕነ ክፍደ ኣይደልይን’የ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55314761"} {"headline":"ጆርጅ ፍሎይድ፡ ናይ ዓይኑ ምስክር፡ ጆርጅ ፍሎይድ ብፖሊስ ምስ ተረግጸ ህይወቱ ብስቓይ ከምዝሓለፈት ገሊጹ","content":"ጻዕዳ ፖሊስ ድሬክ ቻውቪን ንጆርጅ ፍሎይድ ብብርኩ ኣብ ክሳዱን ሕቑኡን ምስ ረገጾ ጆርጅ ፍሎይድ ብስቓይ ከምዝሞተ ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ንቤት ፍርዲ ሓቢሩ። እቲ ዶናልድ ዊልያም ሳልሳይ ዝተብሃለ ናይ ዓይኒ ምስክር ንመጋባእያ ኣብ ዝሃቦ ናይ ቃል፡ ጆርጅ ፍሎይድ ብፖሊስ ኣብ ክሳዱን ሕቑኡን ተረጊጹ ዘሕለፈን ትሽዓተ ደቃይቕ ናይ ስቃይ ደቃይቕ ምንባረን ብምሕባር፡ ህይወት ጆርጅ ፍሎይድ ብስቃይን ብዘገምታን ናብ ሞት ከምዘምረሐት ምስክርነቱ ሂቡ። ጠበቓ ድሬክ ቻውቪን ብወገኑ፡ እቲ ሓይሊ ምጥቃም \"ኣድላዩ እኳ እንተነበረ ኣገዳሲ'ዩ\" ኢሉ። ብዙሓት ነቲ ውዕሎ ቤት ፍርዲ፡ ነቲ ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ዓሌታዊ ቃልሲ ከም ሓደ ነጥበ-መቐይሮ'ዩ ኢሎም ገሊጾምዎ ኣለዉ። እቲ ኣብ ግንቦት ዘጋጠመ ሞት ጆርጅ ፍሎይድ፡ ጻዕዳ ፖሊስ ድሬክ ቻውቪን ንጆርጅ ፍሎይድ ብብርኩ ኣብ ክሳዱን ኣብ ሕቖኡን ረጊጽዎ፡ ህይወት ጆርጅ ፍሎይድ እናሓለፈት እንከላ ብዙሓት ሰባት ብቀጥታ ነቲ ኩነት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ይዝርግሕዎ ነይሮም። ብሰንኪ እቲ ኣብ ሚንያፖልስ ዝተፈጸመ ሞት ጆርጅ ፍሎይድ፡ ኣብ መላእ ኣመሪካን ዓለምን ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዝገብርዎ ግፈዕታት ብምቅዋም ሓያል ናዕቢ ኣለዓዒሉ ነይሩ። ወዲ 45 ዓመት ዝኾነ ጻዕዳ ፖሊስ ድሬክ ቻውቪን፡ ድሕሪ እዚ ፍጻመ ካብ ስርሑ ተባሪሩ ክሳብ 40 ዓመት ክእስሮ ዝኽእል ክሲ ቅትለት ተመስሪትዎ'ሎ። ኣብቲ ፍጻመ ምስ ድሬክ ቻውቪን ዝነበሩ ቴኣዋ ታኦ፡ ጀይ ኣሌክሳንደር ክዩንግን ቶማስ ላንን ዝተባሃሉ ፖሊስ'ውን ብምትሕብባር ተኸሲሶም ኣብዚ ዓመት ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ'ዮም። ምስክር ኮይኑ ዝቐረበ ወዲ 33 ዓመት ዶናልድ ዊልያምስ፡ ዕለት 25 ግንቦት፡ እቲ ቅትለት ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ከም ዝተፈጸመ ንቤት ፍርዲ ሓቢሩ። ንሱ፡ ናብቲ ዝሓሰቦ ድኳን ምእታው ኣቋሪጹ፡ ናብቶም ንጆርጅ ፍሎይድ ንድሕሪት ኣሲሮም ኣብ መሬት ጸጢሖም ረጊጸሞ ዝነበሩ ፖሊስ ብምቅራብ ጆርጅ ፍሎይድ ሕማቕ ከምዘሎን ትርግትኡ ክፍትሽዎን ከምዝተማሕጸኖም ገሊጹ። ጆርጅ ፍሎይድ ልክዕ ከም ኣብ ክሻ ዝኣተወ ዓሳ ትንፋሱን ምንቅስቓሱን ቀስ እናበለ ይዝትሕል ነይሩ ድማ ኢሉ። \"ኣዒንቱ ቀስ እናበላ ይግልበጣ ነይረን ብኸምዚኣ ኸኣ እታ ህይወቱ ሓሊፋ\" ኢሉ። እቲ መስርሕ መጋባእያ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ፈራዶ፡ ጠበቓን ኣኽበርቲ ሕግን ነታ ትሽዓተ ደቂቕ ንውሓት ዘለዋ ወዲ 46 ዓመት ጆርጅ ፍሎይድ ብብርኪ ፖሊስ ኣብ ክሳዱን ሕቖኡን ተረጊጹ ህይወቱ እናሓለፈት እተርኢ ቪድዩ እዮም ተዓዚቦማ። ኣኽባሪ ሕጊ ጄሪ ብላክዌል፡ ጆርጅ ፍሎይድ ኣብታ ቪድዮ 27 ግዜ 'ከተንፍስ ኣይከኣልኩን' ከምዝበለ ገሊጹ። ጄሪ ብላክዌል ብምስዓብ \"ድሬክ ቻውቪን እቲ ኣብ ልዕሊ ህይወት ጆርጅ ፍሎይድ ክስዕብ ዝኽእል ሳዕቤን ከየመዛዘነ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ባህሪ እዩ ኣርእዩ\" ኢሉ። ጠበቓ ኤሪክ ኔልሶን ብወገኑ \"እቲ ዘሎ መርትዖ ልዕሊ እታ ቪድዮ ዘለዋ 9 ደቂቅን 29 ካልኢት ንውሓት እዩ\" ኢሉ። እቲ ጠበቓ ብምስዓብ ህይወት ጆርጅ ፍሎይድ ብሕጽረት ትንፋስ ምዕባስ ልቢ ካልእ ምስቲ ዝተጸቕጦ ብዝተሓሓዝ ነገራትን ከምዝሓለፈት ብመርትዖ ኣሰንዩ ኣቕሪቡ። ትሽዓተ ደቂ ኣንስትዩ ሽዱሽተ ደቂ ተባዕትዮ ዝርከብዎም 15 ነባሮ ተመሪዖም ካብኦም ትሽዓተ ጸዓዱ ሽዱሽተ ኸኣ ጸለምቲ ኣብቲ መጋባእያ ተረኺቦም ነይሮም። እቲ መጋባእያ እቲ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ናብቲ ቦታ ፖሊስ ዝሰደደት ጄና ስኩሪ ዝተብሃለት ናይ 911 ፖሊስ'ውን ቃለ መስክርነታ ሰሚዕዋ'ዩ። ኣሊሻ ኦይለር ኣብቲ ጂርጅ ፍሎይድ ብፖሊስ ኣብ ክሳዱን ሕቖኡን ተረጊጽሉ ዝነበረ እዋን ነቲ ኩነታት ብስእሊ ኣብ ማህበራዊ ሚድያ ዝዘርገሐት ኮይና ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ ነቲ ዝተዓዘበቶ ብቃላ ሂባ። መስርሕ ቤት ፍርዲ ቅድሚ ምጅማሩ ስድራ ጂርጅ ፍሎይድ፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጠበቃታት ሰብኣዊ መሰልን ኣብ ኣፍደገ እቲ ቤት ፍርዲ ብምትእኽካብ ነተን ጆርጅ ፍሎይድ ዝተሳቐየለን ደቓይቅ ንምዝካር ን9 ደቃይቕ ተንበርኪኾም።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56573842"} {"headline":"ቤት ፍርዲ ኣውስትራልያ፡ ንሕቶ ይግባይ፡ ጥርጥርቲ ገበን ጭውያ: ኣድሪያና ሪቫስ ነጺጉዎ","content":"ኣብ ኣውስትራልያ ንልዕሊ ኣርብዓ ዓመታት ዝተቐመጠት ጓል 68 ዓመት ኣድሪያና ሪቫስ፡ ኣብ 1970 ምስ ምስጢራዊ ትካል ስለያ ቺለ፡ ኣብ ጭውያ ሰባት ብምስታፋ ተኸሲሳ ኣብ 2019 ኣብ ሲድኒ ተታሒዛ ተኣሲራ። ይኹን እምበር ወይዘሮ ሪቫስ ሕጂ እውን ነቲ ውሳነ ይግባይ ክትብል ትኽእል እያ። ሰበ-ስልጣን ቺለ፡ ወይዘሮ ሪቫስ፡ ብ1976 ንጸሓፊ ኮምዩኒስት ፓርቲ ቺለ ቪክተር ዲያዝን ሽዱሽተ ደገፍቱን ኣብ ምስዋር ከም ዝተሳተፈት እያ ትኽሰስ። እቶም ሸውዓተ ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይእመን። ሃገረ ቺለ፡ ነታ ኣብ ኣውስትራሊያ ብምጭዋይ ሰባት ተኸሲሳ ዘላ ኣድሪያና ሪቫስ ናብ ቺለ መጺኣ ክትሕተት ሕቶ ኣቕሪቡ። ስለዚ ከኣ እያ ኣድሪያና ትማጐት ዘላ። ወይዘሮ ሪቫስ ካብ 1973 ክሳዕ 1976 ጸሓፊት ናይቲ ኣብ ቺለ ዝነበረ ምስጢራዊ ሓይሊ ፖሊስ ማኑዌል ኮንትራስ እያ ነይራ። ማኑኤል ኮንትሮራስ ኣብ 2015 ብዝፈጸሞ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንልዕሊ 500 ዓመታት ተፈሪዱ እዩ። ወይዘሮ ሪቫስ ኣብቲ ብጀነራል ፒኖቸ ዝተመስረተ ምስጢራዊ ሓይሊ ፖሊስ፡ ኣብ ሃገራዊ ኢንተሊጀንስ ዳይሬክተር (ዲና) ፖለቲካውያን ተጻረርቲ ንምህዳን ትሰርሕ ነይራ። እቲ ዲና ዝተሰምየ ናይ ስለያ ትካል፡ ፒኖቸ፡ ኣብ መስከረም 1973 ብወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ምስ ሓዘ ንተቓወምቱ ንምድቋስ እተፈጥረ ትካል ጥፍኣት እዩ። እቲ ብጭካነ ዝልለ ትካል ንኣሽሓት ሰባት ቀቲሉ፡ ጨውዬ፡ ኣሳቕዩ። ካብ 1973 ክሳዕ 1990 ኣብ ዝነበረ ዘበነ ፒኖቸ ልዕሊ 40,000 ሰባት ብፖለቲካዊ ተሃዲኖም፡ ካብኦም ድማ ልዕሊ 3,000 ሰባት ኣብቲ ወፈራ ሃድን ሞይቶም። [ወይዘሮ ሪቫስ] እንታይ ኢላ ነይራ? ወይዘሮ ሪቫስ ኣብቲ ጭውያ ኢድ ከምዘይብላ እኳ እንተሓበረት ፡ ብ2013 ምስ ኣውስትራልያዊ ትካል ሚድያ SBS ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መጠይቕ ግና፡ ምስ ትካል ስለያ ዲና ዘሕለፈቶ ዓመታት \"ኣብ ህይወተይ እቲ ዝበለጸ\" እዋን እዩ ክትብል ገሊጻቶ ።ካፕሺን፡ ወይዘሮ ሪቫስ፡ ምስ ሓለቓ ስለያ መንግስቲ ፒኖቸ ማኑኤል ኮንትሬራስ (ጸጋማይ) ምዕያይ ባህ ከም ዝብላ ገሊጻ። ንሳ ንSBS፡ ኣብቲ እዋን ከመይ ዝኣመሰለ ብሉጽ ክዳን ትኽደን ምንባራ፡ ናብ ዘብለጭልጭ ናይ ድራር ዕደመታት ከምእትሳተፍ ምቾት ዘለወን መካይን ከምእትጥቀምን ኣብ ክቡራት ሆቴላት (መዕረፊ ኣጋይሽ) ከምእተዕርፍን ሓቢራ። ብዛዕባ እቲ ወከልቲ ዲና ኣባላት ስለያ ዝፈጸምዎ ስቅያት ምስ ተሓተተት፡ \"ኣባላት ስለያ ምስጢር ክረኽቡ መርመራ የካይዱ እዮም። እዚ ከኣ ኣብ ቺለ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘጋጥም እዩ\" ትብል ።ወይዘሮ ሪቫስ፡ ኣብታ ሊሰተ ኦሮዝኮ እተሰምየት ሰነዳዊት ፊልም ኣብ ዝሃበቶ ቃለ-መጠይቕ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ናይ ስቅያት ተግባራት ከምዘይተሳተፈት እያ ትገልጽ። ይኹን እምበር ንሳ ምስቲ ጭካነ ዝመልኦ ስቅያት እተካይድን ናይ ቅትለት ስልጣን ዝተዋህባ ላውታሮ እተሰምየት ብርጌድን (ዲና እተሰምየት ትካል ስለያ) ነይራ ኢሎም ዝኸሱዋ ብዙሓት እዮም። ወይዘሮ ኦሮዝኮ፡ ንወይዘሮ ሪቫስ ጓል ሓፍታ ነታ ኣብ 2017 ኣብ ፌስቲቫል ፊልም በርሊን ዝተራእየት ሰነዳዊት ፊልም ንምድላው ንሓሙሽተ ዓመት እያ ጽዒራ። ወይዘሮ ኦዝኮ ብቋንቋ ስፓኒሽ ሰፊሕ መደባት ንእትዝርግሕ ንቢቢሲ ሙንዶ ከም ዝሓበረቶ፡ ናይ ሓትኖኣ ክፋል ዛንታ ንኽትነግር ክትብል እያ ነቲ ሰነዳዊ ፊልም ኣዳልያቶ። እንተዀነ ግን፡ ሚስስ ሪቫስ ኣብቲ ምስጢራዊ ስራሕ ከም እተሳተፈት ዝያዳ ምስ ፈለጠት: እታ ሰራሒት ፊልም ንሓትኖኣን እቶም ተጣበቕቲ ፍትሕን ብስካይፕ ዕሙቕ ዝበለ ዝርርብ ከተካይድ ዘርኢ ስእሊ ኣለዎ። ብድሕሪኡ እንታይ ክኸውን’ዩ ?ወይዘሮ ሪቫስ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ብቤት ፍርዲ ኣብ ዝተነጽገትሉ እዋን፡ ንሓቅነት ናይቲ ወኪል ትካል ስለያ ዲና ኔራ ዝብል ዝቐረበላ ሰነዳት ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትያቶ።ወይዘሮ ሪቫስ ነቲ ናብ ቺለ አሕሊፍካ ንምሃባ ዝግበር ዘሎ ምጉት ክሳብ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከይተረፈ ብምኻድ ይግባይ ክትብለሉ ከምእትኽእል እዩ ዝዝረብ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57627866"} {"headline":"ደቀ’ባት ካናዳ ኣብ ዝርከብሉ ከባቢ፡ ኣብያተ ክርስትያናት ካቶሊክ ይቃጸሉ ኣለዉ","content":"ትማሊ ቀዳም ብበዝሒ ማሕበረሰብ ደቂኣባት ካናዳ ኣብ ዝርከብሉ ምዕራባዊ ግዝኣት ካናዳ፡ ተወሰኽቲ ክልተ ኣብያተ ክርስትያናት እምነት ካቶሊክ ተቓጺሎም። እቶም ብሓዊ ዝተባርዑ ኣብያተ ክርስትያናት ቅድስቲ ኣናን ቾፓክ ቤተ ክርስትያንን ዝበሃሉ እዮም። ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ከምዝበልዎ፡ መበገሲ እቲ ባርዕ ሓዊ ዘጠራጥር ኮይኑ፡ እቶም ህንጻታት ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓነዉ’ዮም ዝዛረቡ። ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ካናዳ ‘ሃገራዊ መዓልቲ ደቂ'ባት’ ኣብ እትኽብረሉ እዋን፡ ካልኦት ክልተ ኣብያተ ክርስትያን ካቶሊክ’ውን ከምዝተቓጸሉ ተጸብጺቡ ነይሩ። ፖሊስ ፡“ናይ ክልቲኦም ኣብያተ ክርስትያን ምቅጻል ገና ኣብ ምጽራይ እዩ ዝርከብ፤ ዛጊድ ብጥርጣረ ኣብ ቀይዲ ዝወዓለ ሰብ ድማ የለን” ኢሉ። እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ጥንታውያን ኣብያተ ትምህርቲ ካናዳ ‘ጃምላዊ መቓብራት’ ተምሃሮ ምርካቦም ስዒቡ እዩ። እቶም ብመንግስቲ ዝምወሉ ብገለ ጉጅለታት ኣብያተ ክርስትያናት ዝመሓደሩ ከምዝነበሩ ዝግለጹ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኣብ 19 ን 20ን ክፍለዘበናት ነቶም ደቂኣባት ‘መንነቶም ኣህሲስካ ነቶም ካልኦት ንክመስሉ’ ይሰርሑ ከምዝነበሩ ይዝረብ። ገለ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዓሌታት ደቂ ኣባት ካናዳ፡ ብብርኪ ሃገር ከምዚኦም ዓይነታት ጃምላዊ መቓብራት ክእለሹ ክቃልዑን ይሓቱ ኣለዉ። ስሚል ካሚን ኢንድያን ባንድ ዝስመ ኣመሓዳሪ’ቲ ካባቢ፡ ንሲቢሲ ከምዝበሎ፡ ቤተክርስትያን ቾፓካ ሓዊ ኣትይዎ ክባራዕ ከምዝረእየ ተዘሪቡ። ንሱ ኣብቲ ስፍራ እንትበጽሕ፡ እቲ ህንጻ ‘ቲ ቤተ ክርስትያን ሙሉእ ንሙሉእ ዓንዩ ከምዝጸንሑ ወሲኹ ሓቢሩ። “ምስረእኽዎ ኣዝየ እየ ሓሪቐ፤ እዚ ብምግባር እሞ እንታይ እዩ ክርከብ” ክብል ነቲ መራኸቢ ብዙሓን ተዛሪቡ። ኣብዝሓ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ኣመንቲ ካቶሊካዊ እምነት እንትኾኑ በቲ ፍጻመ ኣዝዮም ከምዝሓዘኑ እዩ ዝንገር። ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ኣብ ሓደ ጥንታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ካናዳ ናይ 215 ኣስከሬን ዝሓዘ ጃምላዊ መቓብር ምርካቡ ይዝከር። ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ድማ፡ ካልኦት ናይ 751 ምልክት ዘይበነበሮም ‘ጃምላዊ መቓብራት ተረኺቦም። በቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ስርዓት፡ ካብ 1963 ክሳብ 1998፡ ልዕሊ 150 ሽሕ ተምሃሮ ካብ ስድረኦም ተወሲዶም ኣብ ኣሕዳሪ ኣብያተ ትምህርቲ ክኣትዉ ከምዝተገብረ ሰነዳእ የመልክቱ። መንግስቲ ካናዳ፡ በቲ ስርዓት ትምህርቲ ዝተተግበረ እዚ ዓይነት ፍጻመ ብዕሊ ይቕረታ ሓቲቱሉ ኣሎ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57628332"} {"headline":"መጠንቀቕታታት ጃምላዊ ቅትለትን ስግኣት ጥሜትን ኣብ ትግራይ [ምልከታ]","content":"ብኣሌክስ ደ ዋል - ተንታኒ ኣፍሪቃ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊ ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያ ኣቡነ ማትያስ፡ ኣብ ትግራይ ጃምላዊ ቅትለት ይፍጸም ከም ዘሎ ምስተዛረቡ ሓያል ሕቶታት ኣለዓዒሉ። እቶም ተወላዲ ትግራይ ቅዱስ ኣቡነ ማትያስ፡ ኣብ ሕዳር [2020] ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ግጭት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ፡ \" ብፍርሒ ኣፎም ተሓቲሙ፡ ምዝራብ ስኢኖም ከምዝነበሩ\"ይግለጽ። እቲ ኣቡነ ማትያስ እተዛረቡዎ ስምዒታዊ ዘረባ፡ ምስ ዘረባን ስምዒትን እቶም ብዓመጽን ዝተገፍዑ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ዝመሳሰል እዩ። በቲ ግጭት ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ኣለዉ። ኣብ ዳያስፖራ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝነብሩ ተጋሩ፡ ኣብ ርእሰ ከተማታት እተን ዝነብሩለን ሃገራት “እቲ ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ግፍዒ ዓሌታዊ ጃምላዊ ቅትለት እዩ” ብምባል ብኣካልን ብማሕበራዊ መራኸቢታትን ጽዑቕ ጎስጓስን ሰላማዊ ሰልፍን የካይዱ ኣለው። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ተቓውሞ “ብፖቲካዊ ድፍኢትን ኣጀንዳን ዝተጋነነ እዩ” ክብል ይነጽጎ። እቲ ናይ ኦርቶዶክስ ሲኖዶስ፡ ካብቲ ንቡር ባህላዊ ስርዓተ ምሕደራ ኣርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያ ነብሱ ብምግላል ንርእይቶ እቶም ፓትርያርክ ኣይረዓሞን። ኣብ ብዙሕ መጻሕፍቲ ፡ ጃምላዊ ቅትለት፡ እቲ ዝኸፍአ ገበን ምዃኑ እዩ ዝጥቀስ ። ስለዝኾነ ከኣ እዩ ኣብ ሰልፈኛታት፡ ከቢድ ቁጠዐ ብምልዕዓል ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣንጻር እቶም ጃምላዊ ህልቂት ዘካይዱ ሰባት፡ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ጣልቃ ብምእታው፡ ፍሉይ ኣህጉራዊ ምላሽ ክህብን ደው ከብሎን ዝጽውዑ ዘለው ። እቲ [ጃምላዊ ህልቂት] ዝብል ኣምር፡ ራፋኤል ለምኪን ዝስሙ ዘርኢ ኣይሁድ ዘለዎ ፖላንዳዊ ጠበቓ ፡ ነቲ ናዚ፡ ኣብ ልዕሊ መላእ ህዝብታት ዝፈጸሞ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ገበናት ንምግላጽ እተጠቕመላ ኣምር እያ ። ብ1948፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንኣምር “ጃምላዊ ቅትለት” ኣብ ወግዓዊ ኣኼባኡ ተቐቢሉ፡ ከም “ኣህጉራዊ ውዕል” ኣፍልጦ ምስሃቦ ኣብ ኣህጉራዊ መጻሕፍቲ ሕጊ፡ ፍሉይ ቦታ ሒዙ ይርከብ። ናይ ጽልኢ ዘረባ ኣብ ኑረምበርግ ጀርመን፡ ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ንላዕለዎት ሰበ ስልጣን ናዚ፡ ብመንግስቲ ወይ ከም መንግስቲ ብዝቘመ ኣካል፡ ብረቂቕ ጥበብ ብዝፍጸም ሰፊሕን ስርዒታውን ጥሕሰት፡ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ከሲሶምዎም ነይሮም። ጃምላዊ ቅትለት ፍልይ ዝበለ ገበን ኮይኑ፡ እቶም ፈጸምቲ ገበን \"ንሃገራዊ፡ ቀቢላዊ ፡ ዓሌታዊ ወይ ሃይማኖታዊ ጕጅለ፡ ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ንምጥፋእ\" ዝዓለመ እዩ ክብል ይገልጾ እቲ ሰነድ። ክሳዕ ሕጂ፡ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ትግራይ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ተፈጺሙ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጸን ኣለዋ። እዚ ግን ክቕየር ይኽእል እዩ ። ገለ ናይ ኢትዮጵያ መራኸቢ ብዙሃን፡ በቲ ህወሓት፡ ኣብ ፈደራላዊ ስርዓት ንልዕሊ 25 ዓመታት ኣብ ስልጣን እንከለው ፈጺሞምዎ ዝበሃል ጌጋታት፡ ኣብ ብምልኡ ህዝቢ ትግራይ ብዘይ ኣፈላለይ፡ ዓሌታዊ ጽልኢ ይዘርኣ ኣለዋ። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ስልጣን ድሕሪ ምርካቡ፡ ከም \"ኣዛብእ ቀትሪ\" ን \"ጸጒረ ልውጥ\" ን [ኣጋይሽ ንሓዲሽ ቦታ] ዝኣመሰለ ናይ ጽልኢ ቃላት ስለዝተጠቕመ ነቲ ኩነታት ኣብኢሱዎ እዩ። ትግራዎት ካብ ስራሕ መንግስትን ሰራዊትን ብመደብ ከምዝተኣልዩን ብናጽነት ንከይንቀሳቐሱን ንግዳዊ ንጥፈታቶምን ከየካይዱን፡ ኣብ ናይ ንግዲ ቦታኦምን መንበሪኦምን ቀይዲ ምንቅስቓስ ተገይሩሎም ኣሎ። እቲ ግህሰታት ግን ከምቶም ኣብ ክልል ትግራይ ዝፍጸሙ ዘለው ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽ - ምግሳስ ፡ ጥሜትን ዝኣመሰለ ኣረሜናዊ ተግባራት እኳ ዝዳረጉ እንተዘይኮኑ፡ ኣብቲ ጃምላዊ ቅትለት ዝበሃል ኣምር ግን ተራ ኣለዎ። ኣብ ትግራይ ብዅሎም ሸነኻት ጃምላዊ ቅትለት ከም እተፈጸመ ዝገልጽ ሓያሎ ጸብጻባት ይቐርቡ ኣለው። እቲ ተግባር “ጃምላዊ ቅትለት” ምዃኑን ዘይምዃኑን፡ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት (ICC) ፡ ላዕለዋይ ፈጻሚ ገበን ብይን ክህብ ይኽእል እዩ። እቲ ጉዳይ፡ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ICC ንክረአ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ክሲ ናብቲ ኣህጉራዊ ትካል ክመርሖ የድሊ። ይኹን እምበር፡ ንኣፍሪቃዊት ጥርጥርቲ ሃገር ናብቲ ቤት-ፍርዲ ንምቕራባ ቻይናን ሩስያን ክቃወማ ይኽእላ እየን። ሰበ -ስልጣን ኢትዮጵያ ነበር ብጃምላዊ ቅትለት ተፈሪዶም እዮም ካልእ ምኽንያት ከኣ፡ ንሓደ ድርብ ዜግነት ዘለዎ ኢትዮጵያዊ፡ ምናልባት ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ከም ምልዕዓል ጌርካ ክውሰድ ይከኣል እዩ። ምናልባት እውን ከም ፈረንሳ ወይ ቤልጁም ዝኣመሰላ ኣህጉራዊ ስልጣን ዘለወን ሃገራት ብጠበቓ ዝወሃብ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ክመሓላለፍ ይኽእል ። ኢትዮጵያ ኣቐዲማ ብጃምላዊ ቅትለት ክሲ መስሪታ ነይራ። ብ1957 ዝወጽአ ገበናዊ ሕጊ፡ “ጃምላዊ ቅትለት” ንከይፍጸም ብፍሉይነት ይኽልክል እዩ። እዚ ከኣ ነቶም ዕቝባ ዘድልዮም \"ፖለቲካውያን ጕጅለታት\" እውን የጠቓልል’ዩ ። እዚ ሕጋዊ ህንጡይነት፡ ሕብረት ሶቭየት፡ ንፖለቲካውያን ጉጅለታት ዝሓቁፍ ክኸውን የብሉን ክትብል ቅድሚ ምቅዋማ ኢትዮጵያ ነቲ ለምኪን፡ ኣብ ውዕል ው.ሕ.ሃ.ንክጸድቕ ዘውጸኦ ጽሑፍ ፈለማ ተቐቢላቶ ነይራ እያ። ለምኪን ንባዕሉ፡ ምግቢ ምኽልካል፡ ከም መሳርሒ ጃምላዊ ቅትለት እዩ ዝርእዮ ነይሩ። ኣብታ ኣክሲስ ሩል ዘርእስታ መጽሓፉ: ናዚ ልዕሊ እቲ ዝፍጽሞ ዝነበረ ናይ ጋዝ ቻምቨርን ጉጅለ ዓፈናን ቅንጸላን፡ ንሰባት ብጥሜትን ዓጻባን ዘህልቕ ዝነበረ ምኽልካል መግቢ ዝያዳ ከምዝብእስ ይገልጽ። እቲ “ገበናት ጥሜት” ዝብል ኣምር ዳሕራይ ብብርጌት ኮንለይ ዝተራዕመ፡ ሰባት ንምጽቃጥን ንምቕጻዕን ንጥሜት ከም ኣጽዋር ኵናት ምጥቃም ዝብል ንቡር መግለጺ ኣህጉራዊ ኣምር ኮይኑ እዩ። ው.ሕ.ሃ.፡ ኣመሪካን እንግሊዝን ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ትግራይ መጠነ ሰፊሕ ጥሜት ኣንጸላልዩ ከምዘሎ መጠንቀቕታ ሂበን ኣለዋ። እቲ ዝኸፍአ ብሰንኪ \"ገበናት ጥሜት\" ዝምታን ዘረፋን፡ ግዱድ ምምዝባል፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ምዕናው ምግብን ኣገልግሎት ማይን መደበራት ጥዕናን፡ እቶም ካብ ግፍዕታት ኵናት ዝደሓኑ ሰባት ንርእሶምን ንደቆምን ከይከናኸኑ፡ ከምኡውን ሰብኣዊ ረዲኤት ንኸይረኽቡ ዝኽልክል ኩነታት ከምዘሎ እዩ ዝሕበር። ቅድሚ ሰላሳ ዓመት፡ ኢትዮጵያ ንሰበ-ስልጣን እቲ ዝተሳዕረ ወተሃደራዊ ስርዓት መንግስቱ ሃይለማሪያም ንምፍራድ፡ ፍሉይ ቤት-ጽሕፈት ምስ ኣቘመት፡ ብፖለቲካዊ ቅትለት ንዝፈጸሞ ጃምላዊ ቅትለት እያ ከሲሳቶ ነይራ። እቲ ቀንዲ ኣትኵሮ ናይ 1977-78 \"ቀይ ሽብር\" [ብስም ቀይሕ ራዕዲ ብዙሕ ደም ዝፈሰሰሉ ፍጻሜ] እዩ ነይሩ። እቲ ስርዓት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ንዝቝጸሩ መንእሰያት ጸግዒ ናይ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ብምዃኖም ጥራይ ቀቲሉዎም። ኣብ 2007 መንግስቱ ሃይለማርያም ድሕሪ 40 ዓመት እቲ ዝፈጸሞ ኣዝዩ ዜስካሕክሕ ገበን ኣብ ዘይወዓለሉ መጋባእያ ጃምላዊ ቅትለት ፈጺሙ ተባሂሉ ከም ገበነኛ ተፈሪዱ ። እቶም ኣጓሳጎስቲ ፍትሒ፡ ደያኑ ፍርዲ ክሳዕ ዝህቡ ክጽበዩ ኣይደልዩን ዘለው። ጃምላዊ ቅትለት ከም እተፈጸመ ዝሕብር መርትዖ ደንጕዩ እንተቐሪቡ ትርጉም የብሉን። ነቲ ገበን ኣቐዲምካ ንምክልኻሉ ስጉምቲ ክውሰድ እዮም ዝሓቱ። ነዚ ጸገም ንምፍታሕ፡ ዲፕሎማሰኛታትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ነቲ ዓሌት ተኮር እተፈጸመ ግፍዒ ንምግላጽ፡ ሓድሽ ቃላት ኣዳልዮም ኣለዉ ። ኣብ መጀመርታ 1990ታት ዩጎዝላቭያ ምስ ተበታተነት፡ እታ \"ምጽናት ዓሌት\" እትብል ቃል ገነነት። እዚ ተግባር ኣብ ሕጊ እኳ እንተዘይተደንገገ፡ ከም ዓሌታዊ ቅትለትን፡ ጾታዊ ዓመጽን፡ ኣብ ዓሌት ዘተኮረ ጽንተትን ግዱድ ምምዝባል ዝኣመሰለ ተግባራት ካብ ጃምላዊ ቅትለት ዝፍለ ኣይኰነን ። ጸብጻብ ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣመሪካ፡ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ምዕራባዊ ትግራይ \"ዓሌታዊ ጽንተት\" ከም ዘጋጠመ እዩ ዝጠቅስ። ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት እቲ ኣብ ዩጎዝላቭያ እተገብረ ውግእ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ነበር ዴቪድ ሼፈር ፡ ነቲ ከም ጃምላዊ ቅትለት እተቘጽረ ሕጋዊ ክትዕ ተጠቒሙ፡ ነቲ ግፍዒ “ጨካን ገበን” ዝብል ስያመ ሃቦ ። \"መንግስታትን ኣህጉራውያን ውድባትን... ጃምላዊ ቅትለት ከም እተፈጸመ ወይ ይፍጸም ከም ዘሎ ዝሕብር ሕጋዊ መርትዖ ብምቕራብ ክምጕቱ ይግባእ\" ክብል ተማጐተ ። ኣብቲ ምጕት፡ ኣብ ከባቢ ዝፍጸም ዓሌታዊ ተኮር መጥቃዕቲ ዝብል ኣካታዒ ዘረባ ኣሎ። ከምዚ ዓይነት ግጭት ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዘጋጥም ዘሎ ዝተፈለላዩ ሕብረተሰባት ዝጋጨውሉ ዘለው ነገር እዩ። ኣብ መንጎ እቲ ብልምዲ ዝጸንሐ ዶባትን ብምምሕዳር እተገልጸ ክልላትን ኣብ ውሁዳን ዓሌት [ማይኖሪቲ] ዘጋጥም ዘይምስምማዕን መጥቃዕትን ኣሎ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ብኻብዚ ዝተገልጸ ጸገማት ዝብገስ፡ ኣብ ብሄራት ኦሮሞ ፡ ኣምሓራ፡ ሶማልን ጉሙዝን ንሓድሕዶም ወገናት ዝካሰሰሰሉ ግጭትን ዓመጽን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ። ኣፈኛታት እቶም ጕጅለታት መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ፍጻሜ ምስ ጃምላዊ ቅትለት እዮም ዘተኣሳስርዎ። \"ጃምላዊ ቅትለት\" ዝብል ብኽያትን ጥርዓንን ብተደጋጋሚ እዩ ዝስማዕ። ግን ንዕኡ ዝገትእ ንጹር መጠንቀቕታን ስጕምትን ዝሕብር ግን ኣይኰነን ። እቲ ብ2004 ኣብ ግፍዕታት ዳርፉር ብምትኳር እተገብረ ኣህጉራዊ ዘመተ፡ ኣብ \"ጃምላዊ ቅትለት\" ዘተኰረ ሓደገኛ ተግባር ከም እተፈጸመ ኣነጺሩ ኣሎ ። ነቲ ግፍዒ “ጃምላዊ ቅትለት” ምዃኑ ኣብ ምቅላዕ ዝተዋስኡ ሰባት፡ መንግስታቶም ነቲ ተግባር ከም ጃምላዊ ቅትለት ምስ ረኣዮ፡ ብቐጥታ ወተሃደራቶም ዝልእኩ እዩ መሲሉዎም ነይሩ። ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ሓደ ካብቲ ተቓዋሚ ሰልፈኛታት \"ካብ ዒራቕ ወጺእኩም ናብ ዳርፉር እተው!\" ዝብል ጽሑፍ ኣንቢቡ ። ግደ ሓቂ ከምኡ ዝኣመሰለ ግዴታ የለን ። እቲ ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝተላእከ ጉጅለ መጽናዕቲ፡ ሰራዊት ሱዳንን ምስኡ እተተሓሓዙ ሚሊሻ ጃንጃዊድን ነቲ ጃምላዊ ቅትለት ከም ዝፈጸምዎ ገሊጹን ኣረዲኡን’ዩ። ድሕሪኡ ፡ ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኮሊን ፓወል ነቲ ጸብጻብ ተቐቢሉዎ። እንተኾነ እዚ ርኽበት እዚ፡ ነቲ ሰብኣዊ ረድኤት ምሃብን፡ ሰራዊት ዓቃብ ሰላም ምቕራብን፡ ከምኡ እውን ስምምዕ ሰላምን ምውዳድን ዝኣመለሰ ቀዳምነታት ፖሊሲ ኣመሪካ ከም ዘይቅይሮ ገሊጹ ። ስምብራት ክትዕ ጃምላዊ ቅትለት እቲ ኣብ ዳርፉር እተፈጸመ ግፍዒ፡ ከም ጃምላዊ ቅትለት ክጽብጸብ “ይኽእል እዩ ኣይክእልን እባ” ዝብል ዘረባ ነቲ ግፍዒ ደው ከብሎ ብዘይምኽኣሉ ኣቓልቦ ዝስሕብ ኰይኑ ጸኒሑ ኣሎ ። እቲ ብኣመሪካ ዝቐረበ \"ጃምላዊ ቅትለት\" ዝብል ስያሜ፡ ኣዝዩ ምሳልያዊ ብምዃኑ፡ እቲ ው.ሕ.ሃ. ኣብ ዳርፉር ዘቘሞ ኣህጉራዊ መርማሪ ኮምሽን፡ ጃምላዊ ቅትለት ከም እተፈጸመ ስለዘይደምደመ፡ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ነቲ \"ገበናት ከም ጃምላዊ ቅትለት ኣዝዩ ከቢድ ዘይምዃኑ”ዝገልጽ ብጥንቃቐ እተቐርጸ ቃላት ብምቕራብ ከም ዝተዓወተ ኣምሲሉ ኣረድአ ። ዓቃቢ ሕጊ ICC ጸኒሑ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ዑመር ኣል-በሽር ጃምላዊ ቅትለት ከም እተፈጸመ ዘመልክት ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኣውጽአ። በሽር ቅድሚ ክልተ ዓመት ካብ ስልጣን ድሕሪ ምግልባጡ ብሰበስልጣን ሱዳን ተኣሲሩ እኳ እንተሎ ናብ ኣህጉራዊ መጋባእያ ቤት ፍርዲ ICC ግን ኣይተመሓላለፈን ። መራሒ ሚሊሻ ነበር ዓሊ ዓብደል ራሕማን \"ኩሻይብ\" ብ24 ግንቦት ኣብ ICC ብ31 ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበናት ውግእን ተኸሲሱ እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ኣኽባሪ ሕጊ ከምቲ ጠበቓታት ዝጥርጥሩዎ ጃምላዊ ቅትለት ከም ዝተፈጸመ ዘረጋግጽ እኹል መርትዖ ኣይተረኽበን ኢሉ። በሽር ኣብ ICC ኣብ መጋባእያ ምስ ዝቐርብ: እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ነቲ ናይ ጃምላዊ ቅትለት ክስታት ክቕጽልን ዘይክቕጽልን ክውስኑ ኣለዎም ። ሎሚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከቡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን፡ ነቲ ኣብ ዩጎዝላቭያን ዳርፉርን ዝተላዕለ ክትዕ ጃምላዊ ቅትለት ብኣካል ዝተሳተፉዎ ሰባት ይርከብዎም ። ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ዝተኻየደ ኮሚተ ርክባት ጕዳያት ወጻኢ ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ዘስምዖ መደረ: ትግራይ ምስ ዳርፉር ብምምስሳል ኣቕሪቡዋ። ኣብ 'ቲ መጋባእያ ፡ ሓደ ናይ መንግስቲ ኣመሪካ ሰራሕተኛ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ጠጠው ዘይምባሉ፡ ኣመረካ፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ኢትዮጵያ ሰበ-ስልጣን ገንዘባዊ ማዕቀብ ክግበር ይሓስቡ ከምዘለው ገሊጹ። ብተወሳኺ፡ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ግፍዒ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ተፈጺሙ እንተ ኰይኑ እትምርምር ሓንቲ ሕጋዊት ጉጅለ ከምዘላ ገሊጹ ። እንተዀነ: እቲ ግፍዒ “ጃምላዊ ቅትለት” ምዃኑ እንተተገሊጹ፡ ኣብ ክንዲ ፍታሕ ዘምጽእ፡ ነቲ ዘሎ ኩነታት ከምበድብዶን ከነሃህሮን ስለዝኽእል በቲ ኣምር እቲ ንምግላጹ ሸውሃት ዝህሉ ኣይመስልን።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57298215"} {"headline":"ቤሻንጉል፡ ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባት ብዝተልዓለ ጎንጺ 12 ሰባት ተቐቲሎም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤኒሻንጉል-ጉሙዝ፡ ዞባ መተከል፣ ወረዳ ማንዱራ ቀበሌ ዱሃዝባጉና፡ ኣብ መንጎ ውልቀሰባት ብዝተልዓለ ጎንጺ 12 ሰባት ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ፡፡ እቲ ጎንጺ፡ ሰንበት ሰዓት ሸሞንተ ናይ ለይቲ ከምዘጋጠመ ዝገለጸ ናይቲ ክልል ህንጸት ሰላምን ሓላፊ ጸጥታን ኣቶ ጋሹ ዱጋዝ፡ ኣብቲ ዝተጠቐሰ ቀበሌ ሰለስተ ሰባት ናይ ሓደ ውልቀ ሰብ ብረት ኣሕዲጎምን ብካራ ወጊኦምዎን ከምዝኸዱ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡ ብድሕሪ'ዚ ድማ ኣዝማድ እቲ ጉድኣት ዝበጸሖ ውልቀ ሰብ ብስምዒት ነዲሮም፡ ብብረት ዝተሓገዘ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙን ህይወት ከምዝጠፍአን እቲ ሓላፊ ገሊጹ፡፡ ሓው እቲ ብረት ዝተመንጠለ ሰብኣይ 12 ሰባት ቀቲሉ ንሓደ ካሊእ ከምዘቑሰለ ወሲኹ ሓቢሩ፡፡ ብተወሳኺ እቲ ቐታሊ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ውዒሉ ምርመራ ይግበረሉ ከምዘሎ ተገሊጹ፡፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ርክብ መንግስቲ ክልል ቤንሻንጉል ኣቶ መለስ በየነ ብወገኑ እቲ ጎንጺ ከይጋፋሕ ሰራዊት ምክልኻልን ኣካላት ጸጥታ እቲ ክልል ብሓባር ይሰርሑ ኣለዉ ኢሉ፡፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ናይ ዓይኒ ምስክር: እቲ መጥቃዕቲ ብለይቲ ከምዝተፈጸመ ብምግላጽ ‘‘ ኣብቲ 12 ሬሳ ዝወጸሉ ቦታ እየ ዝነብር’’ ብምባል ናብ ጫካ ከምዝሃደመ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡ ብፍርሒ ኣብ ጫካ ተበቲኖም ከምዝሓደሩ ዝገልጽ እቲ ምስክር፡ ሎሚ 2 ጥቅምቲ ድሕሪ ቀትሪ ቢቢሲ ኣብዘዘራረቦ እዋን ድማ ‘‘ሕዚ ኣብ ሓደ ገዛ ተዓሺግናን ተኸልኪልናን ኢና ዘለና’’ ኢሉ፡፡ ብተወሳኺ ተመሳሰልቲ መጥቃዐቲታት እንትፍጸሙ በቢደረጅኡ ዘለዉ ኣመሓደርቲ ግቡኦም ከምዘይዋጽኡ እቲ ምስክር ዓይኒ ወሲኹ ሓቢሩ፡፡ እቲ ጎንጺ ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባት ጥራሕ ከምዝበረ ዝገልጽ ሓላፊ ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ኣቶ መለሰ ግና: ኣመራርሓ እቲ ከባቢ ድሕነት እቲ ሕብረተሰብ ንምሕላው ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ ይገብር ከምዘሎን እቲ ከባቢ ኣንጻራዊ ሰላም ዓሲልዎ ከምዘሎን ንቢቢሲ ገሊጹ፡፡","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54515457"} {"headline":"ቅልውላዉ ትግራይ፡ ኣብ ትግራይ ዘለው ሓይልታት ተጻብኦታት ደው ከብሉ ኣመሪካ ጠሊባ","content":"ሰኔት ኣመሪካ፡ እቲ ሻብዓይ ወርሑ ሒዙ ዘሎ ተጻብኦ ትግራይ ጠጠው ክብልን መንግስቲ ኤርትራ ወተሃደራቱ ካብቲ ክልል ብቕልጡፍ ከውጽእን ዝሓትት ውሳነ ኣጽዲቑ። ኣብቲ ክልል ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ተፈጺሞም ዝበሎም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ገበናትን ድማ ኣትሪሩ ኮኒኑ። እቲ ውሳነ፡ እቲ ኣብ መንጎ ፌዴራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝነበረ ፖለቲካዊ ቅርሕንቲ ናብ ቅሉዕ ኲናት ምምርሑ ቕቡልነት የብሉን ኢሉ። ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን ፌዴራል መንግስትን፡ ንክልተ ዓመታት ፈኸም እናበለ ዝጸንሐ ፍሕፍሕ ብ4 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ካብ ዘምርሕ ሻብዓይ ወርሑ ሒዙ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር 2020 ሓይልታት ፌዴራል ንከተማ መቐለ ምስ ተቖጻጸሩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ እቲ ኲናት ከም ዝተዛዘመ እንተተዛረበ'ኳ፡ እቲ ውግእ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ቀጺሉ ከም ዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብቲ ግጭት፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ከኣ ይግመት። ልዕሊ 60,000 ሃዲሞም ናብ ሱዳን ክኣትዉ እንከለዉ፡ ልዕሊ 2 ሚልዮን ከም ዝተፈናቐሉ ጸብጻባት የረድኡ። ብሓፈሻ፡ ልዕሊ 5 ሚልዮን ህዝቢ'ቲ ክልል ተጸባዪ ህጹጽ ረዲኤት ኮይኑ ይርከብ። ኣብቲ ክልል \"ከቢድ ጥምየት\" ከጋጥም ከምዝኽእል፡ ሓላፊት ዓለምለኻዊ ትካል ልምዓት ኣመሪካ (ዩ-ኤስ-ኤ-ኣይ-ዲ) ሳማንታ ፓወር ኣጠንቂቓ'ላ። \"መበል 5ይ ደረጃ ዝበጽሐ ናይ መግቢ ቅልውላዉ ከምዘጋጠመ ቅድመ-መጠንቀቕታና ይሕብር ኣሎ። ሻድሻይ ደረጃ ዝብሃል የለን። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሕጂ ነቲ ኲናት ደው ንምባል ክሰርሕ ኣለዎ\" ኢላ። መንግስቲ ሱዳን፡ ንስደተኛታት ትግራይ ዘርአዮ ሓልዮትን ሰናይ ተግባርን ከም ዝንእድ ሰኔት ኣመሪካ ኣብ መግለጺኡ ጠቒሱ'ሎ። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ፡ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ንህወሓት ኣብ መዝገብ ሽበራ ኣስፊሩ ንብረቱ ክውረስንን ክእገድን ምውሳኑ ዝዝከር እዩ። ቀንዲ ውሳነታት'ቲ ሰኔት እንታይ ይብሉ? እቲ ሰኔት ዘውጽኦ ሰነድ ቁጽሪ ኤስ-ኣር.97 ኣብ ትግራይ ምስ ዘሎ ህልዊ ኩነታት ብዝተኣሳሰር ዓሰርተ መሰረታዊ ነጥብታት ዘርዚሩ ኣሎ። መጀመርታ፡ እቲ ሰኔት ግጭት ትግራይ ብቕልጡፍ ደው ክብል ክሓትት እንከሎ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ካልኦት ኣብቲ ግጭት ኢዶም ዝሓወሱ ኣካላትን ተጻብኦታት ጠጠው ከብሉ ሓቲቱ። ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ እቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ሰብኣዊ መሰላት ከኽብሩ፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ከየዕንቅፉን ንዝግበሩ ምጽራይ ገበናት ክተሓባበሩን ጸዊዑ። \"ኤርትራ ካብቲ ግጭት ብቕልጡፍ ትውጻእ\" ዝብል ሳልሳይ ኣብ ውሳነ ሓሳብ እቲ ሰኔት ዝሰፈረ ዛዕባ እዩ። ብወተሃደራት ኤርትራ ኮነ ብኻልኦት ሓይልታት ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፤ ዝምታ፣ ጸታዊ ዓመጻት፣ ቅትለትን ካልኦት ገበናትን ብትሪ ንኹንኖም'ውን ይብል። ምምሕዳር ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ልኡኻቱ ናብ ኢትዮጵያ ብምስዳድ ተጻብኦታት ደው ክብልን ሓይልታት ኤርትራ ካብቲ ክልል ክወጽኡን ደጋጊሙ ጻውዒት ምቕራቡ ይዝከር። ብዘይካ'ዚ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝፍጸም ኩነታት 'ዓሌት ምጽናት' ብዝብል ዝጸውዐ ኮይኑ ሓይልታት ኣምሓራ ካብቲ ካባቢ ለቒቖም ክወጽኡ ጠሊቡ ነይሩ። ኣብ መንጎ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ንነዊሕ ዝጸንሐ ናይ ወሰን ምስሕሓብ ነይሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓይልታት ኣምሓራ ሒዞምዎ ዘለዉ ከባቢታት ትግራይ ብዝምልከት 'ብሕገ መንግስታዊ' መንገዲ ክሕተት ከም ዘለዎ ሰብ መዚ ክልል ኣምሓራ ንቢቢሲ ተዛሪቦም ነይሮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቶም ካብ ኣመሪካ ዝቐርቡ ክስታት ክነጽጎ ምጽንሑን፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ኣምሓራ ዝቐርብ ክሲ \"ውሽጣዊ ጉዳያት እዩ\" ብዝብል ይቃወሞ። ምስ ህወሓት ዘተ ንምክያድ ቅሩብ ከም ዘይኮነ ምግላጹ'ውን ይዝከር። ሰኔት ኣመሪካ፡ ትማሊ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ ሓሳብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክፍጽሞም ትጽቢት ዝግበሩ ሰለስተ ነጥቢታት ዘርዚሩ ኣሎ። እዚኦም መንግስቲ ንሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንክ ከምኡ'ውን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብመሰረት ዝኣተዎ ቃል ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምምሕኣሽ ጭቡጥ ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ ይብል። ኣብ ትግራይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፈጸሙ ከኣ ተሓተቲ ክኾኑ ክገብር ኣለዎ ኢሉ። ሰራዊት ኤርትራ ብቕልጡፍን ሙሉእ ንሙሉእን ካብ ኢትዮጵያ ንክወጽእ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንክሓትት እቲ ሰኔት ሓቲቱ። ብዘይካ እዚ መንግስቲ ብፖለቲካዊ ኣረኣእየኦም፣ ደገፍቲ ብምዃኖም፣ ብሰንኪ መንነቶምን ጋዜጣኛዊ ጸብጻባቶምን ዝተኣስሩ ክፈትሕን ሓሳብ ብናጽነት ናይ ንግላጽ መሰል ከኽብርን ሓቲቱ። ኣብ መላእ እታ ሃገር ኩሎም ሓይልታት ዘሳተፈ ሃገራዊ ዕርቅን ዘተን ክካየድ'ውን ጠሊቡ። ብኻልእ ወገን ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ኢንተርኔት 'ብምሉእን ብቕልጡፍን' ክኽፈት'ውን ጸዊዑ'ሎ። ኣብ ገለ ከባቢታት ኣገልግሎት ባንክን ስልክን'ኳ እንተጀመረ ኢንተርኔት ግን ዛጊድ ናብ ንቡር ኣይተመልሰን። ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ መራሕትን ኣባላትን ህወሓት ሓይሊ ካብ ምጥቃም ክቑጠብን፣ ብሕጊ ክዳነዩ ክገብርን ድማ ጠሊቡ። እቲ ሰኔት፡ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ፣ ሚኒስትሪ ገንዘብ፣ ዩኤስኣይዲ ምስ ካልኦት ኣብያተ ጽሕፈት ኣመሪካ ብምትሕብባር፡ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ከምኡ'ውን ህወሓት ተራኺቦም ጎንጺ ደው ንክብል. ሰራዊት ኤርትራ ንክወጽእ፣ ነዚ ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላው ድማ መፍትሒ ክህብሉ ሓቲቱ። ኣብ መወዳእታ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ምስ ካልኦት ሃገራት፣ ቤት ምኽሪ ጸጥታን ዓለምለኻዊ ትካላትን ብምትሕብባር ኣብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገርን ንዝለዓሉ ግጭታት መፍትሒ ክህቡ ኣተሓሳሲቡ። እዞም ሓሳባት፡ ሓበራዊ መርገጺ ኣባላት እቲ ሰኔት ዘንጸባርቑ ኮይኖም፡ መንግስቲ ኣመሪካ ምስ'ዚ ውሳነ ሓሳብ ዝመሳሳል መርገጺ ከርኢ ጸኒሑ'ዩ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57169918"} {"headline":"ብገበናት ኲናት ዳርፉር ክድለ ዝጸንሐ ሱዳናዊ መራሒ ጃንጃዊድ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ","content":"መራሒ ሚሊሽያ ጃንጃዊድ ሱዳን፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዓለምለኻዊ ገበናዊ ቤትፍርዲ ኣትዩ። ዓሊ ቁሻይብ፡ ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ባዕሉ ኢዱ ከምዝሀበ እቲ ቤትፍርዲ ሓቢሩ። እቲ ብጃንጃዊድ ዝፍለጥ ዕጡቕ ሓይሊ ኣብቲ ኣብ ምዕራባዊ ሱዳን፡ ዞባ ዳርፉር፡ ኣብ ዓመታት 2000 ዝተኻየደ ኲናት: ገበናት ፈጺሙ ተባሂሉ ክኽሰስ ዝጸንሐ'ዩ። ዓሊ ቁሻይብ፡ ብ50 ዝተፈላለዩ ገበናት ኲናትን፡ ከምኡ'ውን ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽን ስቅያትን ዝርከቦም ገበናት ኣንጻር ሰባውነትን ክድለ ዝጸንሐ ውልቀሰብ'ዩ። ቅድሚ 13 ዓመት ኣብ ቀይዲ ክኣቱ እቲ ቤት ፍርዲ ምፍቃዱ ይዝከር። ፕረዚደንት ሱዳን ነበር፡ ዑመር ኣል-በሽር'ውን ምስቲ ግጭት ብዝተሓሓዝ በቲ ቤት ፍርዲ ከም ዝድለ ይፍለጥ። ኣብቲ ኣብ ዳርፉር ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ፡ ኣስታት 300, 000 ሰባት ከም ዝተቐትሉን፡ 2.3 ሚልዮን ከም ዝተፈናቐሉን ጸብጻባት የረድኡ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52992967"} {"headline":"ሰብኣዊ መሰል፡ መቑሕ ዘይበትከሎም ጸለምቲ ኣመሪካውያን","content":"ግዚኡ እኳ ርሑቕ ኣይኮነን፡ ናይ ቀረባ እዋን እዩ። እዚ ዛንታ ክፍጸም ከሎ ዝነበሩ፡ ሎሚ'ውን ብህይወት ኣለዉ። እቲ ዝፍጸም ዝነበረ ግፍዕታት ክትሰምዖ ግን፡ ናይ ጥንቲ ደኣ እምበር፡ 'ስልጡን ሰብ' ኣብ 1950ታት ዝፈጸሞ ኣይመስለካን። ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ኣመሪካ ጸለምትን ጸዓዱን ኣይተሓዋወሱን ዝነበሩ። ኣብ ኣውቶቡስ ብናይ ህዝቢ መጓዓዝያ እንትኸዱ'ኳስ እቲ ናይ ቅድሚት መናብር ጸዓዱ እዮም ኮፍ ዝብልዎ። ጸለምቲ ድማ፡ ብናይ ድሕሪት ማዕጾ ኣትዮም ኣብቲ ናይ ድሕሪት መናብር እዮም ኮፍ ዝብሉ። እዚ ዝተጽሓፈ ሕጊ እዩ። እቲ ናይ ጸዓዱ መናብር እንተመሊኡ'ሞ፡ ጻዕዳ ተሳፋሪ እንተኣትዩ፡ እቲ ዘዋሪ መኪና ነቶም ጸለምቲ ኣልዒሉ፡ ንጻዕዳ ኮፍ ከብለሉ ልሙድ ነይሩ። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 1955 ግን ከምዚ ኮነ። ሮዛ ፓርክስ እትበሃል ጸላም ኣመሪካዊት፡ ሜንትጎመሪ ኣብ እትበሃል ከተማ፡ ኣብ ስርሓ ውዒላ ናብ ገዝኣ ክትምለስ ኣውቶቡስ ተሰቐለት። ንሳን ካልኦት ጸለምትን፡ ኣብ ድሕሪ እቶም ጸዓዱ ኮፍ ኢሎም እንከለዉ፡ ሓደ ጻዕዳ ተሳፋሪ ኣተወ። እቲ ናይ ጸዓዱ መናብር መሊኡ ስለ ዝነበረ ድማ፡ እቲ ጻዕዳ ዘዋሪ መኪና፡ ንሮዛ ፓርክስን ካልኦት ሰለስተ ጸለምትን ካብቲ ኮፍ ዝበልሉ መንበር ተሲኦም፡ ነቲ ጻዕዳ ኮፍ ከብልዎ ኣዘዞም። እቶም ካልኦት ሰለስተ፡ ሕራይ ኢሎም በርደግ በሉ። ሮዛ ፓርክስ ግን \"ኣይትስእን\" በለት። እቲ ዘዋሪ መኪና \"ከእስረኪ እየ\" እንትብላ \"ከምኡ ግበር\" ኢላ ኣቕበጸት። ተኣሲራ፡ ገንዘብ'ውን ተቐጽዐት። እንተኾነ፡ ንሳ ዝጀመረቶ እብያ፡ ንቓልሲ 'ሲቪላዊ መሰላት ጸለምቲ ኣመሪካውያን' ኣጎሃሀሮ። ድሕሪ'ዚ እዮም፡ በዓል ማርቲን ሉተር ኪንግ፡ ንማዕርነት ጸለምቲ ኣመሪካውያን ዝገብርዎ ቃልስታት ኣሐይሎም ዝጀመርዎ። ጸለምቲ ኣመሪካውያን፡ መዋእሎም ኣብ ቃልሲ እዮም ኣሕሊፎምዎ። ካብ ኣፍሪቃ ብባርነት ግዒዞም፡ እግሮም ኣብታ ሎሚ 'ኣመሪካ' እንብላ ምድሪ ካብ ዝረግጹ ኣትሒዞም ቃልሲ ኣየብኮሩን። ወጽዓ'ውን ኣይበትከሎምን። ታሪኽ ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኣመሪካ ብባርነት ዝገዓዙ ጸለምቲ ኣመሪካውያን፡ ቅድሚ 400 ዓመታት ኣቢሉ እዩ ዝጅምር። ዋለ'ኳ ኣውሮጳውያን ቅድም ኢሎም'ውን ንኣፍሪቃውያን ከም ባሮት ክሕዙ ጀሚሮም እንተነበሩ፡ ኣብ ኣመሪካ ግን ብ 1619 ከም ዝጀመረ እዩ ዝግለጽ። ሽዑ፡ ንገለ ክፋላት ኣመሪካ፡ እንግሊዛውያን እዮም ብመግዛእቲ ሒዞምዎ ነይሮም። ነቶም ናይ መጀመርታ ጸለምቲ ባሮት ናብ ኣመሪካ ዘእተውዎም'ውን ንሶም እዮም። ኣብ ታሪኽ፡ ኣስታት 24 ሚልዮን ኣፍሪቃውያን፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ብባርነት ከምዝተሸጡ እዩ ዝፍለጥ። ካብኣቶም ከኣ፡ እቶም ብኣማኢት ኣሸሓት ዝቑጸሩ፡ ናብታ ሕዚ 'ኣመሪካ' እንብላ ምድሪ ዝተወሰዱ እዮም። ኣብ ልዕሊ እቶም ባሮት ዝበጽሕ ዘስካሕክሕ ግፍዕታት፡ ገና ካብ ምትሓዞምን ምጉዕዓዞምን እዩ ዝጅምር። ኣብ መራኽብ፡ ንኣዋርሕ ብሰንሰለት ተሞቒሖም፡ እሞ ድማ ጥራሕ ዝባኖም እዮም ዝጓዓዙ። ኣብዚ ጉዕዞ ዝሞቱ ማእለያ የብሎምን። ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ድማ ገና ቅድሚ ናብተን መራኽብ ምብጸሖም ይሞቱ። ኣብ ጉዕዞ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ፡ ሕምሽን ካብቶም ባሮት ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ። ናብ ኣመሪካን ካልኦትን ምስበጽሑ ድማ፡ ከም ኣቕሓ ብጨረታ ይሽየጡ። ኣብ ናይ ሕርሻ ቦታታት፡ እናተገፍዑን እናተቐጥቀጡን ንልዕሊ 18 ሰዓታት ክሰርሑ ይግደዱ። ኣብዞም ናይ ሕርሻ ቦታታት እናሰርሑ ከለዉ ዝሞቱ'ውን ቁጽሪ ስፍሪ የብሎምን። መሰል የብሎምን ጥራይ እንተይኮነስ፡ ከም ሰብ ኣይረኣዩን። ኣብ 1788 ዝጸደቐ ሕገ-መንግስቲ ኣመሪካ፡ ንባሮት፡ 3 ኢድ ካብ ሓሙሽተ እዩ ከም ሰብ ዝቖጽሮም። ኣብ ኣመሪካ፡ ባርነት ብሕጊ ዝተኸልከለ፡ ድሕሪ ኩናት ሓድሕድ ኣመሪካ ኣብ 1865 እዩ። እንተኾነ፡ ብድሕሪኡ'ውን ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ማዕርነት ኣይረኸቡን። ብፍላይ ኣብ ደቡባዊ ግዝኣታት ኣመሪካ፡ እቲ ወጽዓ ዝሓየለ ነይሩ። ጸዓዱ ዝጥቀሙሎም ህዝባዊ ኣገልግሎታት፡ ጸለምቲ ክጥቀሙሎም ኣይፍቀደሎምን ዝነበረ። 'ንጸዓዱ ጥራይ' ናብ ዝተሓዝኡ ኣብያተ ትምህርቲ ኮነ መናፈሻታት፡ ጸለምቲ ተወር ክብሉ ኣይክእሉን። ዋላ'ኳ ካብ ባርነት ናጻ ኢኹም እንተተብሃሉ፡ ካብ ባርነት ድኽነት ግን ኣየምለጡንሞ፡ ተመሊሶም ደኣ ኣገልገልቲ ጸዓዱ ኮኑ። ኣብቲ እዋን፡ መብዛሕተኦም ጸለምቲ ጊላ ጸዓዱ ኮይኖም ተቖጺሮም እዮም ክሰርሑ ጀሚሮም። ጸለምቲ ኣመሪካውያን፡ ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም፡ ምስ ጸዓዱ ኮይኖም ንኽብሪ ኣመሪካ ተዋጊኦም እዮም። ካብ ቅድመ ግንባር ናብ ኣመሪካ ምስተመለሱ ግን፡ መግፋዕቲ እምበር ሞሳ ኣይኮነን ዝቕበሎም ዝነበረ። ከምኡ እናበሉ ኸኣ፡ ካብ ወጽዓ ወጽዓ እናተቐበሎም፡ ናብ ዘበን እኒ ሮዛ ፓርክስ በጽሑ። ኣብ ኣመሪካ፡ ባርነት ኣብቂዑ ኣሎ ተባሂሉ ምስ ተኣወጀ፡ ድሕሪ ሚኢቲ ዓመታት'ውን ጸለምቲ ኣመሪካውያን መሰረታዊ ዝበሃሉ መሰላት ኣይነበሮምን። ባርነት ብሕጊ ምስ ኣብቀዐ፡ ንጸለምቲ ዘግልል፡ ምስ ጸዓዱ ንከይተሓዋወሱ ዝገብር ሕግታት ተግባራዊ ክኸውን እዩ ጀሚሩ። ናይ ጸለምቲ መንበሪ ቦታ፣ ናይ ጸለምቲ ቤት ትምህርቲ፣ ናይ ጸለምቲ መዘናግዒ ቦታ፣ ናይ ጸለምቲ መቓብር፣ ናይ ጸለምቲ ቤተ ማእሰርቲ እናተብሃለ፡ ብሕጊ ክንጸሉን ክግለሉን ተገይሩ። ጸለምቲ ቆልዑ፡ ጸዓዱ ኣብ ዝመሃርሉ ቤት ትምህርቲ ክመሃሩ ኣይክእሉን ነይሮም። እዚ፡ ክሳብ 1960ታት ዝቐጸለ እዩ ነይሩ። ሮዛ ፓርክስ እምበኣር፡ ነዚ መድልዎታት እዚ እያ ብእምቢታኣ ሰይራቶ። ንማዕርነት ጸለምቲ ኣብ ዝግበር ቃልሲ፡ ከም ነጥቢ መቐይሮ ካብ ዝራኣዩ ፍጻመታት ሓደ፡ ሮዛ ፓርክስ ካብ መንበራ ኣይትስእን ኢላ ምእባያ እዩ። ነዚ እብያ ከኣ፡ በዓል ማርቲን ሉተር ኪንግን ካልኦት ተሓለቕቲ መሰላት ጸለምትን ኣዕሚቖም ቀጺሎምሉ። ንማርቲን ሉተር ኪንግ ሓዊሱ፡ ነዚ ቃልሲ ብዙሓት ህይወቶም ከፊሎምሉ እዮም። በዚ ንስለ 'ስቪላዊ መሰላት' ዝተገብረ ቃልሲ ኸኣ፡ ጻማታት ተረኺብዎ እዩ። ኣብ 1964 ዝወጽአ ሕጊ ስቪላዊ መሰላት (Civil Rights Act)፡ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ህዝባዊ ቦታታትን ቤት ዕዮታትን፡ ንጸዓዱን ንጸለምትን ተባሂሎም ከይኽፈሉ ደንጊጉ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ፡ ጸለምቲ ኣብ መረጻ ንዝህልዎም ተሳትፎ ዝግድብ ዝኾነ ተግባር ዘይሕጋዊ ምዃኑ ዝድንግግ ኣዋጅ ወጺኡ። ክሳብ እቲ ግዜ እቲ፡ ብዝተፈላለየ ሕጋዊ ሜላ፡ ጸለምቲ ኣብ መረጻ ከይሳተፉ ማሕለኻታት ነይሩዎም። ዋላ'ኳ ቅድም ኢሉ'ውን፡ ጸለምቲ ኣብ መረጻ ክሳተፉ ከም ዝኽእሉ ዝገልጽ ሕግታት እንተነበረ፡ ብተግባር ግን ከይመርጹ ዝገብሩ እገዳታት ነይሩዎም። ንኣብነት፡ ኣብ ገለ ግዝኣታት ኣመሪካ፡ ክመርጹ እንተኾይኖም፡ ምጽሓፍን ምንባብን ክኽእሉ ከም ዘለዎም ዝገልጽ ሕግታት ነይሩ። ስለ'ዚ ድማ ክመርጹ እንተኾይኖም፡ ፈተና ክወስዱ ነይርዎም። እዚ ድማ፡ መብዛሕቲኦም ጸለምቲ ትምህርቲ ስለ ዘይነበሮም፡ ኣብ መረጻ ከይሳተፉ መታን ኮነ ተባሂሉ ዝተገብረ ምንባሩ ይግለጽ። እቲ ንስለ 'ሲቪላዊ መሰላት ጸለምቲ' ዝተገብረ ቃልሲ፡ ነዚታት ቀሪፉ እዩ። ኣብ ኣመሪካ ብቐጻልነት ማዕርነት ከስፍን ግን ኣይከኣለን። ኣብ ኣመሪካ፡ ሎሚ'ውን ጸለምቲ ዝወርዶም ጸገማት ብዙሕ እዩ። ከተማታት ኣመሪካ፡ ሎም ቅነ ብናዕቢ ይሕመሳ እየን ዘለዋ። ጆርጅ ፍሎይድ ዝተብሃለ ጸሊም ኣመሪካዊ፡ ብፖሊስ ክሳዱ ተረጊጹ ምስ ሞተ እዩ፡ ኣብ ከተማታት ኣመሪካ ተቓውሞታት ተላዒሉ። እቲ ኣመሪካ ኣጋጢሙዋ ዘሎ፡ ብሰንኪ ዓሌታውነት ዝተወለዐ ዘይምርግጋእ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ 1968 ብቕትለት ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝተወለዐ ናዕቢ፡ ተራእዩ ዘይፍለጥ እዩ። ጸለምቲ ኣመሪካውያን ኣብዚ ዘለናዮ ዘበን እውን እንተኾነ፡ ብፖሊስ ኣመሪካ ግፍዕታት ከምዝወርዶም ብተደጋጋሚ እዩ ዝግለጽ። ብሰንኪ ሕብሪ ቆርበቶም፡ ፖሊስ ዒላማ ዝገበሮም፡ ብሓሶት ተጠቂኖም ዝተፈርዱ፡ ብዘይተመጣጣኒ ስጉምቲ ዝተቐተሉ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ኣለዉ። ሃገራዊ ጸብጻብ ከም ዘርእዮ፡ ኣብ ኣመሪካ፡ ጸለምቲ ብፖሊስ ናይ ምቕታል ዕድሎም ሰፊሕ እዩ። ምስ ብዝሖም ኣነጻጺርካ እንክረአ ድማ፡ ዝያዳ ጸዓዱ ብዙሓት ጸለምቲ እዮም ዝእሰሩ። ወዲ 46 ዓመት ጆርጅ ፍሎይድ፡ እቲ ጻዕዳ ፖሊስ ኣብ ክሳዱ ረጊጽዎ እንከሎ \"ክትንፍስ ኣይከኣልኩን\" ክብል እዩ ዝስማዕ። ፍሎይድ ብፖሊስ ኣመሪካ ተሓኒቑ \"ክትንፍስ ኣይከኣልኩን\" ዝበለ ፈላማይ ጸሊም ኣይነበረን። ቅድሚ ሽድሽተ ዓመት፡ ኤሪክ ጋርነር ዝበሃል ጸሊም፡ ፖሊስ ሓኒቑዎ \"ክትንፍስ ኣይከኣልኩን\" እናበለ እዩ ሞይቱ። ኮታስ፡ ናይ ቀረባ እዋናት ጥራይ እኳ እንተርኢናስ፡ ቁጠዐ ዝፈጠሩ፡ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ብፖሊስ ዝተፈጸሙ ጭካነታት፡ ብዙሓት እዮም። ኣብታ ሃገር፡ ጸለምቲ ዘለዎም ማሕበረ ቁጠባዊ ቦታ'ውን ትሑት ዝበሃል ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ። መጽሄት ፎርብስ ከም ዘርእዮ፡ ኣብታ ሃገር ካብ ዘለዉ ልዕሊ 600 ቢልዮነራት፡ እቶም 5 ጥራይ እዮም ጸለምቲ ኣመሪካውያን። ስለ'ዚ ድማ እዩ፡ ሎሚ'ውን እንተኾነ፡ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ኣብ ኣመሪካ ማዕርነቶም ኣይተረጋገጸን ዝብል ሞጎት ዘሎ። እቲ ድሕሪ ሞት ጆርጅ ፍሎይድ ዝረኣይ ዘሎ፡ ተቓውሞታት'ውን እዚን ወድዝን ዝወለዶ ውህሉል ቁጠዐ እዩ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52895983"} {"headline":"ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዝተወለዐ ጎንጺ 127 ሰባት ተቐቲሎም","content":"ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ሲቪላውያንን ብዝተፈጥረ ግጭት 46 ወታሃደራት ዝርከብዎም 127 ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣፈኛ ሰራዊት ሜጀር ጀነራል ሉል ሩዋይ ገሊጹ። እቲ ግጭት፡ ወታሃደራት መንግስቲ ነቶም ሲቪላውያን ሰባት ዕጥቆም ከውርዱ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ከም ዝተወለዐ ተፈሊጡ። ኣብታ ሃገር ብሚልዮናት ዝቑጸር ብረት ኣብ ኢድ ሲቪላውያን ሰባት ከምዘሎን፡ ኣብቲ ብቐጻሊ ዝረአ ማሕበረሰባዊ ግጭታት ከቢድ ጉድኣት ከውርድ ምጽንሑን ይፍለጥ። መንግስቲ ህዝቢ ዕጥቁ ከውርድ ኣብ ምግባር ከቢድ ብድሆ ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ይንገር። ሓድነታዊ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ድሕሪ ናይ 6 ዓመታት ዳግማይ ዝተወለዐ ኲናት ሓድሕድ’ዩ ቆይሙ። ኣፈኛ ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ከምዝበሎ፡ ዕጡቓት መንእሰያት ክልተ ግዜ ብለይቲ ንመዓስከር ሰራዊት ኣትቂዖም። ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝተወለዐ ግጭት ድማ ንሰዓታት ቀጺሉ፡ ብሰንኪ’ዚ ልዕሊ 127 ሰባት ተቐቲሎም። እዚ ኣብ ዞባ ዋራፕ ኣብ ዝርከብ ቶንጅ ዝተባህለ ከባቢ ዘጋጠመ ግጭት፡ መርኣያ ናይቲ ዕጥቂ ናይ ምፍታሕ ብድሆ ምዃኑ ይግለጽ። ኣብታ ከብቲ ካብ ገንዘብ ዝለዓለ ክብሪ ዝወሃበላ ሃገረ ደቡብ ሱዳን፡ ሰባት ንጥሪቶም ካብ ዝምታ ተቐናቐንቲ ማሕበረሰባት ንምሕላዉ፡ ብረት ክዓጥቁ ይግደዱ። ካብ መንግስቲ ዘተኣማምን ናይ ጸጥታ ውሕስነት ክሳብ ዘይረኸቡ ድማ፡ ዕጥቆም ንምፍታሕ ቀሊል ከምዘይከውን’ዩ ዝግለጽ። እቲ ዕጥቂ ናይ ምፍታሕ ተበግሶ ብዘይ ልዝብን ብታህዋኽን እንተ ተገይሩ፡ እቲ ኩነታት ክጋደድ ከምዝኽል’ውን ሻቕሎት ኣሎ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53756972"} {"headline":"ንጸሊም ኣመሪካዊ ጃኮብ ብሌክ ብጥይት ዝወቕዐ ፖሊስ መንነቱ ተገሊጹ","content":"ዓቃቢ ሕጊ ዊስኮንሲን መንነት እቲ ብሰንበት ንጸሊም ኣመሪካዊ ጃቦብ ብሌክ ብጥይት ዝሃረሞ ፖሊስ ኣፍሊጡ። ዓቃቢ ሕጊ ጆሽ ካኡል፡ ጃኮብ ብሌክ መኪንኡ ኸፊኡ ክኣቱ ክኣቱ ክበል ብሩስተን ሺስኪ ዝተባህለ ፖሊስ ሸውዓተ ግዜ ጥይት ብምትኳስ ብድሕሪቱ ከም ዝሃረሞ ተዛሪቡ። ብተወሳኺ ኣብ መኪና እቲ ግዳይ ካብ ካራ ወጻኢ ካልእ ብረት ከም ዘይተረኸበ ሓቢሩ። እቲ ኣብ ልዕሊ ጃኮብ ብሌክ ብፖሊስ ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ኣብ ቀረባ መዓልታት ሓያል ተቓውሞ ዘበገሰ ኮይኑ፡ ገሊኦም ናብ ጎነጽ ተቐይሮም ኣለው። ትማሊ ኣብ ዝወዓለ ናዕቢ ክልተ ሰባት ተቐቲሎም ሓደ ክቖስል እንከሎ፡ ሓደ ወዲ 17 ዓመት ድማ መንእሰይ ተኣሲሩ። ክልቲኦም ደቂ 26ን 36 ዓመት መናእሰያት ኮይኖም፤ እቲ ዝቖሰለ ድማ ወዲ 26 ዓመት'ዩ። ካይል ሪተንሃውስ ዝተባህለ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ ድማ ብቐዳማይ ዲግሪ ቕትለት ተጠርጢሩ ተታሒዙ ኣሎ። ጸሊም አመሪካዊ ብሌክ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሆስፒታል ከም ዝርከብን ምንቃሕ ከም ዝጀመረን'ኳ እንተተገለጸ፡ ጠበቓታቱ ግን ድሕሪ ሕጂ ጠጠው ኢሉ ንክኸይድ \"ተኣምር\" ከድሊ እዩ ኢሎም። ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ብምኽንያት እቲ ናዕቢ ከጋጥም ዝኽእል \"ዝምታ፣ ጎንጺን ስርዓት ኣልቦነትን\" ክከላኸሉ'ዮም ዝበሎም ኣኽበርቲ ጸጥታ ናብ ከተማ ኬኖሻ ልኢኹ'ሎ። ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ድማ ኣብ ጉዳይ መጥቃዕቲ ጃኮብ ብሌክ ብደረጃ ፌደራል ዝካየድ ምጽራይ ጀሚሩ ኣሎ። መንግስቲ ከም ዝበሎ እቲ ቤት ጽሕፈት ልዕሊ 200 ሰራሕተኛታት ኤፍቢኣይ ናብ ከተማ ማርሻልስ ተላኢኾም ኣለው። ብምኽንያት እቲ ፖሊስ ዘውረዶ መጥቃዕቲ ግን ኣብ ከተማታት ፖርትላንድ፣ ኦርጎን፣ ሚኒያፖሊስን ሚኒሶታን ሓዊሱ ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ኣመሪካ ተቓውሞ ተላዒሉ'ሎ። ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ዝነብሩላ ከተማ ኬኖሻ ብዝተላዕለ ናዕቢ ብርክት ዝበላ መካይን ተቓጺለን፣ ኣባይቲ'ውን ነዲዶም'ዮም። ኣመሓዳሪ ቶኒ ኤቨርስ ተወሳኺ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ናብ ከተማ ኬኖሻ ከም ዝልእኽ ተዛሪቡ ኣሎ። እዞም ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ፡ ትካላትን ንብረትን መንግስቲ ሓደጋ ከይበጽሖም ክሕልው'ዮም። ኣብ መላእ እታ ግዝኣት ድማ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ተኣዊጁ ኣሎ። ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣብ ሚኒሶታ ብጸዓዱ ፖሊስ ክሳዱ ተሓኒቑ ምስ ሞተ ዓለምለኻዊ ናዕቢ ተላዒሉ ከም ዝነበረ ይዝከር።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53928820"} {"headline":"ኮንጎ፡ ዘካሕክሕ ግፍዒ ዝፈጸመ መካነ እንስሳ ይቕረታ ንኽሓትት 114 ዓመት ወሲድሉ","content":"ኦታ ቤንጋ፡ ብ1904 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ካብታ ሕጂ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ተባሂላ እትጽዋዕ ሃገር ንምርኢት ንክቐርብ ተጨውዩ ናብ ኣሜሪካ ተወሲዱ። ጉዳይ እዚ ውልቀሰብ ስለ ምንታይ ክሕባእ ተደልዩ ዝብል? ብተደጋጋሚ ካብ ሞንጎ ዝጸሓፉ ጋዜጠኛ ፓሜላ ኒውኪሪክ ሓንቲ እያ። ንልዕሊ ሓደ ክፍለ ዘመን ኣብ መካነ እንስሳ ኣህባይ ዳጒኑዎ ዝጸንሐ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ መካነ እንስሳ ብሮንክስ ሕጂ ከም ዝተጣዕሰ ይገልጽ። ማሕበረብ ዕቀባ እንስሳ መሮር ነቲ ብ1906 ዝፈጸሞ ገበን ይቕሬታ ክሓትት ቀንዲ ዘገደዶ ምኽንያት፡ ሓደ ኣባል ፖሊስ ኣመሪካ ጆርጅ ፍሎይድ ብእግሩ ጸቒጡ ምስ ቀተሎ ድሕሪ ዝተላዕለ ናዕቢ እዩ። ቕትለት ፍሎይድ ኣብ መላእ ኣመሪካ ኣንጻር ዓሌታውነት ሓያሎ ተቓውሞ ክካየድን ዜጋታት ፍትሒ ክጠልቡን ተራእዮም። ፕረዚደንት እቲ ማሕበረሰብ ክሪስቲያን ሳምፐር \"ቀጻሊ ኣብ ትካልና ዘሎ ዓሌታውነት ክወጽእ ምግባር ኣገዳሲ እዩ\" ኢሉ። እቲ ንመካነ እንስሳ ብሮንክስ ዘመሓድር ማሕበረሰብ ዕቀባ እንስሳ ዘገዳም ካብ 9 መስከረም 1906 ጀሚሩ ክሳብ ኦታ ቤንጋ ካብቲ መካነ እንስሳታት ዝወጽኣሉ 28 መስከረም 1906 ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ዝነበረ መተንፈሲ ዘይብሉ ጉዳይ ንምፍታሕ ሓላፍነት ከም ዝወስድ ተመጻቢዑ። ግን እዚ ይቕሬታ ድሕሪ ዓመታት ዝወሰደ ምሕንጋድ እዮ ዝመጽእ ዘሎ። ማሕበረሰብ ዕቀባ እንስሳ መሮር፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ኣጋጣሚ ከም መምሃሪ ገይሩ ዝወስድ ንዘመናት ነቲ ጉዳይ ኣብ ምሕባእን ግጉይ ሓበሬታታትን ክህብ ጸኒሑ ተባሂሉ ይንቀፍ። ኣብ መጀመርታ 1906 ካብቲ መካነ እንስሳ ዝተረኸበ ደብዳበ ከም ዘመላኽቶ፡ ሓለፍቲ እቲ መካነ እንስሳ ኦታ ቤንጋ ሰራሕተኛ እዩ ነይሩ ኢሎም ይካትዑ። ምንጪ፡ ዘደንቕ ህይወት ኦታ ቤንጋ ድሕሪ ሞት ኦታ ቤንጋ፡ ብ1916 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኒውዮርክ ታይምስ እቲ ንምርኢት ክቐርብ ተገይሩ ዝብል ዘረባታት ሓቂ ኣይኮነን ክብል ጽሒፉ። \"ኣብ መካነ እንስሳ ኣህባይ ተዳጒኑ ንምርኢት ይቐርብ ነይሩ ዝብል ዘይተነጻረ ጸብጻብ ንክወጽእ ዝገበረ ምኽንያት እዚ ዕዮ'ዩ\" ይብል እቲ ጽሑፍ። እዚ ቅድሚ 10 ዓመት ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ምስ ዝወጽኡ ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ጸብጻባት ዝዋቓዕ እዩ ነይሩ። ብ9 መስከረም 1906 እቲ ጋዜጣ ሒዙዎ ኣብ ዝወጽአ ሕታም፡ \"ኣብ ፓርክ ብሮንክስ ምስ ኣህባይ ጋቢያ ዝማቐል ወዲባት\" ብዝብል ርእሲ ሂቡዎ እዩ። ድሕሪኡ ብ1974፡ ሓለቓ እቲ መካነ እንስሳ ዊልያም ብሪጅስ ብልክዕ እቲ ዘጋጠመ ነገር ክፍለጥ ኣይኽእልን ኢሉ። 'Gathering of Animals' ኣብ ዝብል መጽሓፉ \"ኦታ ቤንጋ ልክዕ ከም ሓደ ዘይተለመደ፣ ዘገርም እንስሳ ድዩ 'ንምርኢት ቐሪቡ' ነይሩ?\" ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ እዩ። \"ጥርሑ ኣብ ዘሎ መካነ እንስሳ ተዳጒኑ ነይሩ ሓቂ ክኸውን ተኽእሎ የብሉን\" ይብል'ሞ፡ ነቶም ብርክት ዝበሉ ቤተ መዘክር ስነ እንስሳ ዘለው ኣሽሓት ሰነዳት ይነጽጎም። ብዛዕባ እቲ ምርኢት ብዳይሬክተር እቲ መካነ እንስሳ ዝተጻሕፈ ዛንታ ግን ኣብ ሕታም እቲ ቤተ መዘክር ስነ እንስሳ ይርከብ። \"ኦታ ቤንጋ ትኹረት ህዝቢ ኒውዮርክ ዝስሕብ ስለ ዝነበረ ኣብዚ ግዜ ኮይንካ ኩሉ ክብሃል ይከኣል'ዩ፤ ግን ድማ ኩሉ ብጽቡቕ ዕላማ ዝተገብረ'ዩ\" ኢሉ። ብ1992፡ ወዲ ወዱ ንሳሙኤል ቨርነር [ብረት ተዓጢቑ ናብ ኮንጎ ብምኻድ ንኦታ ቤንጋ ጨውዩ ናብ ኣመሪካ ብምምጻእ ምስ ካልኦት ቖልዑት ኣብ ምርኢት ሉዊስ ፌየር ብ1904 ዘቐረቦ] ምስ ኻልኣይ ኮይኑ ሓደ መጽሓፍ ጽሒፉ። እዚ መጽሓፍ ኣብ መንጎ ቨርነርን ኦታ ቤንጋን ዝነበረ ምሕዝነት የዘንቱ። እቲ ጸሓፊ፡ ኦታ ቤንጋ፡ ተገዲዱ ናብ ኣመሪካ ከምዝመጽኣን እንተኾነ ግን፡ ኣብ ኒውዮርክ ብዘቕርቦ ዝነበረ ምርኢት ሕጉስ እዩ ነይሩ ይብል። ስለዚ እቶም ንልዕሊ ሓደ ክፍለ ዘመን ብዘይንሕስያ ንኦታ ቤንጋ ዘሰራጠዩን ዝገዝኡን ትካልን ውልቀሰብን ከምኡ ካልኦት ሰዓብቶም እቲ ታሪኽ ሰኒዖም ንዓለም ክነግሩ ጸኒሖም። ሕጂ'ውን ሚስተር ሳምፐር \"ንመዓልታት\" ንኦታ ቤንጋ ንምርኢት ምቐራቡ ይቕሬታ ክሓትት እንከሎ፡ ነቲ ንሰለስተ ሳምንታት ኣብ መካነ እንስሳ ኣህባይ ዳጒኑዎ ምጽንሑ ግን ዝብሎ የብሉን። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ መካነ እንስሳ ብሮንክስ ብዛዕባ ዝርዝር መዓልታዊ ምንቅስቓሳት ኦታ ቤንጋን እቲ ማሪኹዎ ዝነበረ ሰብን ዝገልጽ ሓበሬታ ኣውጺኡ ኣሎ። መብዛሕትኦም እቶም ኣብ 'ዘደንቕ ህይወት ኦታ ቤንጋ' ዝብል መጽሓፍ ዝተጠቐሱ'ዮም። እቲ መጽሓፍ ካብ ዝሕተም ሓሙሽተ ዓመት ኮይኑዎ ኣሎ፤ ሓለፍቲ ስራሕ እቲ መካነ እንስሳ ክሳብ ሕጂ ጣዕስኦም ንምግላጽ ኮነ ንመራኸብቲ ሓፋሽ መብርሂ ንምሃብ ቅሩባት ኣይነበሩን። ሕጂ ግን፡ ፕሬዝደንት ማሕበረሰብ መካነ እንስሳ መሮር ክሪስቲያን ሳምፐር \"በቶም ዝፍጸሙ ዝነበሩ ነገራት ብዙሓት ሰባትን ወለዶታትን ብምጉድኦምን ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ይቕሬታ ንምሕታት ኮነ ነዚ ተግባር ንዝፈጸሙ ሰባት ንምኹናን ስለ ዝዘንጋዕና ብልቢ ዝተሰምዐና ጣዕሳ ይገልጽ\" ኢሉ። ንኦታ ቤንጋ ናብ ምርኢት ንዘቕረቡ ክልተ ቀንዲ ተዋሳእቲ ዝነበሩ ማዲሰን ግራንትን ሄነሪ ፌየርፊልድ ኦስቦርን ኾኒኑ። ክልቲኦም ፍሉጣት ኣመሪካውያን ተሓለቕቲ ዕቀባ ሓድግን ኣማኸርትን'ዮም ነይሮም። ማዲሰንት ግራንት 'The Passing of a Great Race' ዝተሰምየ መጽሓፍ ዝጸሓፈ ሰብ እዩ። ኦስቦርን ድማ ቤተ መዘክር ተፈጥሮኣዊ ታሪኽ ኣመሪካ ን25 ዓመታት ዝመሰርሐ ኮይኑ፡ ብ1921 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ካልኣይ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ስነ ምምሕያሽ ዓሌት ሰብ ኣዳልዩ ነይሩ። ፕሬዝደንት ማሕበረሰብ መካነ እንስሳ መሮር ክሪስቲያን ሳምፐር ይቕሬታ ክሓትት እንከሎ ግን ሽም ዊልያም ሆርናደይ ኣየልዓለን። እዚ ሰብ መስራቲ ዳይሬክተር እቲ መካነ እንስሳን ክኢላ እቲ ዓውድን ከምኡ'ውን ኣብ ዋሽንግተን ዳይሬክተር ሃገራዊ መካነ እንስሳን ዝነበረ እዩ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53931502"} {"headline":"ምፍናው ኣስክሬን ጆርጅ ፍሎይድ፡ \"እግርኹም ካብ ክሳድና ኣልዕሉ\"","content":"ኣብ ሚኒያፖሊስ፡ ኣስክሬን ብጭካነ ፖሊስ ዝተቐትለ ጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ስነ ስርዓት ምፍናው ተገይርሉ። ኣብ ስነ ስርዓት ምፍናው ኣስክሬን ጆርጅ ዝተረኸቡ ሰባት፡ ኩሎም ንሸሞንተ ካልኢትን 46 ማይክሮ ሴኮንድን ጠጠው ኢሎም ናይ ሕሊና ጸሎም ገይሮምሉ። ንጠበቕኡ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ስድርኡን ድማ መደረ ኣስሚዖም። ጠበቓ ስድራ ጆርጅ ፍሎይድ፡ \"ጆርጅ፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ'ዩ ሞይቱ ክብሉ ጀሚሮም ኣለው። ግን ብለበዳ ዓሌታውነትን ከም ዝሞተ መን ይንገሮም . . .\" ክብል ስምዒታዊ ኮይኑ ተዛሪቡ። ታሪኽ ህይወት ጆርጅ ፍሎይድ፡ ብፍሉጥ ተሓላቒ መሰላት ጸለምቲ ኣመሪካውያን ሬቭ ኣል ሻርፐን ክንበብ እንከሎ፡ ንሱ፡ ኣብ መላእ ኣሜሪካ እትርከቡ ጸለምቲ ኣሕዋተይ፡ ሕጂ ኩላትና \"እግርኻ ካብ ኽሳደይ ኣልዕሎ\" እንብለሉ ሰዓት እዩ ኢሉ። ሓው ጆርጅ ፍሎይድ፡ ፍሎናይድ ፍሎይድ ድማ፡ \"ድኻታት ስለ ዝኾነንና ክዳንና ሓጺብና ብናይ ሞጎጎ ሓዊ ኢና ነድርቖ ነይርና\" ክብል ብስምዒት ተዛሪቡ። \"ሓወይ ብህይወት ከሎ ከምዚ ዘይደመቐ፡ ሞቱ በዚ ደረጃ ምድማቑ ኣግሪሙለይ'ዩ\" እውን ኢሉ። ኣል ሻርፕተን ብወገኑ፡ ንሞት ፍሎይድ ተሓታቲ ዝኸውን ሰብ ክህሉ ኣለዎ ኢሉ። \"ክሳብ እዚ ናይ ፍትሒ ስርዓት መልክዕ ዝሕዝን ማዕርነት ዝረጋገጸን ትም ኣይንብልን\" ብምባል፡ ተቓውሞና ቐጻሊ እዩ ኢሉ። \"ህይወት ፍሎይድ ናይ መላእ ጸለምቲ ህይወት እዩ ዝውክል። ሞቱ'ውን ናትና ሞትን ህይወትን'ዩ\" ኢሉ። ሻርፐን ወሲኹ፡ \"እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝበጽሐ ነገር፡ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ጸሊም ኣሜሪካዊ ዝበጽሕ ዘሎ፡ ብስርዓት ትምህርቲ፣ ጥዕናን ፍትሕን ዝበጽሕ ኣድልዎ እዩ። ሕጂ፡ 'ኣንታ ጻዕዳ፡ እግርኻ ካብ ኽሳደይ ኣልግሶ' እንብለሉ እዋን እዩ\" ክብል ኣምሪሩ ተዛሪቡ። ጆርጅ ፍሎይድ፡ ፖሊስ ክሳዱ ብእግሩ ረጊጹ ከሳቕዮን \"ክትንፍስ ኣይክኣልኩን\" እናበለ ክምሕጸኖን ዘርኢ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስ ተዘርግሐ፡ ኣብ ኣሜሪካ ከቢድ ናዕብን ተቓውሞን ኣልዒሉ እዩ። ስነ ስርዓት ምፍናው እቲ ኣስክሬን ኣብ ዝካየደሉ ግዜ፡ ኣብ ቕትለት ጆርጅ ፍሎይድ ተሓባበርቲ ነይሮም ዝተባህሉ ሰለስተ ፖሊስ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ነይሮም። ናይ ዋሕስ መሰሎም ንክሕሎ፡ ሓደ ሚሊዮን ዶላር ከቕርቡ ክሕተቱ ከለው፡ እዚ ገንዘብ እቲ ዝተዓጠቑዎ ብረት ብፍቓዶም ምስ መለሱን ካልኦት ከማልኡዎም ዝግብኡ ነገራት ምስ ኣማልኡን ናብ 750 ሽሕ ዶላር ክጎድል ከም ዝኽእል ተነጊሩዎም። እቲ ንጆርጅ ዝኧተለ ፖሊስ ድማ፡ ሰኑይ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እዩ ተባሂሉ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/52932702"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቴፒ ንልዕሊ 5 መዓልታት ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ተዓጽዮም","content":"ኣብ ቴፒ ንልዕሊ 5 መዓልታት ትካላት መንግስትን ውልቀሰባትን ከም ዝተዓጸው ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ገሊጾም። እቶም ነበርቲ ከም ዝብሉዎ፡ እታ ከተማ ምስ ካልኦት ከባቢታት ዘራኽባ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ጠጠው ካብ ዝብል ልዕሊ ሓደ ዓመት ገይሩ ኣሎ። ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ጸገም ጸጥታ ስሩዕ ምንቅስቓስ ሰባት ከም ዝገደበ ድማ ወሲኾም ገሊጾም። ስሙ ክጥቀስ ፍቓደኛ ዘይኮነ ሓደ ነባሪ እታ ከተማ፡ 'ካብ ቴፒ ናብ ሚሻና ጊጫ ኣብ ዝወስድ መገዲ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ስለ ዝተቛረጸ ምምሕዳር እቲ ከባቢ ብሓይሊ ከጀምሮ ፈቲኑ ስለ ዘይክኣለን፡ ሰብ ንብረት ስለ ዝተኣሰሩን ትካላት ንግዲ ተዓጽዮም ኣለው\" ኢሉ። እቲ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ብሓይሊ ንምጅማር ተሓሲቡ ተሽከርከርትን ሰብ ንብረትን ስለ ዝተኣሰሩ እቲ ህዝቢ ነቶም ትካላት ንግዲ ዓጽዩ ኣብ ገዝኡ ኮፍ ከም ዝበለ ካልእ ነባሪ እታ ከተማ ኣረጋጊጹ። \"ኣብቲ ከባቢ ተዓጢቖም ዝንቀሳቐሱ ኣካላት፡ ትካላት ንግዲ ንከይክፈቱ ስለ ዝኣዘዙ፡ ንልዕሊ ሓሙሽተ መዓልቲ ንትካላት መንግስቲ ሓዊሱ ኩሎም ተዓጽዮም ኣለው\" ኢሉ። ኣብ ቴፒ ኲቢቶ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ከም ዝነብር ዝገልጽ ሓደ ውልቀሰብ፡ ህዝቢ እታ ከተማ ዘልዕሎ ሕቶታት ካብ መሓውር ክሳብ ሕጂ ስለ ዘይተመለሰ ብዝተፈጥረ ቅርታ ተቓውሞ ከም ዘልዓለ ይዛረብ። ኣብቲ ከባቢ ትካላት መንግስቲ ኮነ ውልቀሰባት ከም ዘይሰርሑን ኣገልግሎት መጓዓዝያ ከም ዘየለን ዝገልጸ እዚ ወሃቢ ርኢይቶ፡ ናብ በረኻ ዝኣተው መናእሰይ ከም ዘለው ሓቢሩ። ካልእ ሽሙ ክጥቀስ ፍቓደኛ ዘይኮነ ወሃቢ ርኢይቶ'ውን \"እቶም ዕጡቓት ክንዓጹ ኣይገበሩናን፤ እኳ ድኣ እቲ ሕብረተሰብ ንድሕነቱ ስለ ዝሰግአ እዩ ዓጽዩ ኮፍ ኢሉ ዘሎ\" ይብል። ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ደቡብ ተሓጋጋዚ ኮሚሽነር እንዳለ ኣበራ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ከባቢ ከም ዝተረጋግአ ብምግላጽ ጸገም ዝፈጥሩ \"ዕጡቓት ሸፋቱ\" ከም ዝኾኑ ንቢቢሲ ኣረዲኡ። ኣብቲ ከካቢ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሸፋቱ ከም ዘለው ዝዛረብ እቲ ኮሚሽነር፡ \"ኣብ መገዲ መኪና ጠጠው ኣቢሎም ይሰርቁ፤ ናብ መንበሪ ኣባይቲ እቲ ሕብረሰተብ ብምኻድ ገንዘብ ኣምጽኡ እናበሉ ዝዘምቱ ኣለው\" ብምባል ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኩነታት የብርህ። እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ'ውን እቶም ናብ በረኻ ኣትዮም ዝበሃሉ መናእሰይ ዕጡቓት ከም ዝኾኑ ኣረጋጊጾም። ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ከም ዝብሎ ድማ፡ ወነንቲ ትካላት ንግዲ ምስ ከፈቱ ዕጸው \"ባንክ ኣገልግሎት ምሃብ ጠጠው የብል፤ እንተዘይኮይኑ ከነቃጽሎ ኢና\" ዝብሉ ምፍርራሓት ይበጽሖም ኣሎ። እቲ ኮሚሽነር ሸፋቱ ኢሉ ካብ ሞንጎ ዝጸውዖም ዝተወሰኑ ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ከም ዝወዓሉ ክገልጽ እንከሎ፡ ዓመጽ የለዓዕሉ'ዮም ካብ ሞንጎ ዝተባህሉ'ውን ብሕጊ ክሕተቱ ከም ዝተገብረ ሓቢሩ። ብተወሳኺ፡ እቶም መናእሰይ ናይ ምምሕዳር ሕቶ ኣለና ብዝብል ናብ ኣደባባይ እንትወጽኡ፡ ኣብዚ ሰዓት ግን እቲ ሕብረሰተብ \"ሕቶና ናይ ምምሕዳር ኣይኮነን፤ መንግስቲ ዝፈትሖ ጉዳይ'ዩ፤ ንሕና ሰላም ኢና ንደሊ\" ከም ዝበለ ብምግላጽ፡ እቶም \"እናዘመቱ ውልቃዊ ሃብቲ ዘኻዕበቱ ውልቀሰባት\" ግን ሰላም እቲ ከባቢ ይዘርጉ ኣለው ኢሉ። ኣብታ ከተማ፡ ብተደጋጋሚ መናእሰይ ምስ ኣካላት ጸጥታ ከም ዝብኣሱን ብዙሓት ከም ዝተኣሰሩን፤ ብተወሳኺ፡ ኣካላት ጸጥታ ብዝወስዱዎ ስጉምቲ ዝሞቱ ከም ዘለውን ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ይገልጹ። እቲ ሕቶ እንታይ'ዩ? ዞባ ሸካ፡ ብቐንዱ ተወለድቲ ሰለስተ ብሄራት ይነብርሉ፤ ሽካ፣ ሸካን መዥንገርን። ኣብ ትሕቲ ክልል ደቡብ ዞባ ሸካ ሰለስተ ወረዳታት እንትህልው፡ ነበርቲ ወረዳ የኪ ብተደጋጋሚ ምምሕዳራዊ በደል ይበጽሐና እዩ ዝብል ቅርታ ዘቕርቡ ነበርቲ ዘለውሉ ወረዳ እዩ። ነበርቲ ወረዳ የኪ ኣብ ትሕቲ ዞባ ሸካ ኮይኖም ክቕጽሉ ከም ዘይደልዩ ክገልጹ እንከለው፡ እዚ ናይ ምምሕዳር ሕቶ ከይተፈትሐ ንዓመታት ከም ዝቐጸለ ነበርቲ ይዛረቡ። በዚ ምኽንያት ኣብቲ ከባቢ ብተደጋጋሚ ዘይምርግጋእ ተላዒሉ ብዙሓት ካብ ቤት ንብረቶም ክዘናበሉ ከለው፡ ኣብቲ ከባቢ ኮማንድ ፖስት ተመዲቡ ድሕነትን ሰላምን ህዝቢ እቲ ከባቢ ንምሕላው ይሰርሕ ኣሎ። ወረዳ የኪ ኾነ ከተማ እታ ወረዳ ዝኾነት ቴፒ ንነዊሕ ኣዋርሕ ምስ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘራኽቡዋ መገዲታት ከም ዝተዓጸው ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ገሊጾም። ናብ ጅማ፣ ሚዛን፣ ማሻ ጎሬ፣ ክልል ጋምቤላ ዝወስዱ መገዲታት ከም ዝተዓጸውን ዝኾነ ዓይነት ኣገልግሎት መጓዓዝያ ከም ዘየለን እዮም ዝገልጹ። ኣብ ወረዳ የኪ 18 ዝኾኑ ብሄር ብሄረሰባት ይነብሩ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53789885"} {"headline":"ጆርጅ ፍሎይድ፡ ውጽኢት መርመራ ኣስክሬን ጆርጅ ፍሎይድ ተገሊጹ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ወዲ 46 ዓመት ጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ሚኒሶታ ምስ ሞተ፡ ትኽክለኛ ምኽንያት ሞት እቲ ውልቀሰብ ብሕክምና ክጻረ ድሕሪ ምቕናዩ ሎሚ መዓልቲ ብሰብ ከም ዝተቐትለ ዘረጋግጽ ውጽኢት መርመራ ኣስክሬን ተሓቢሩ ኣሎ። ኣቐዲመን ሓደ ሓደ መራኸቢ ብዙሃን፡ ጆርጅ ፍሎይድ ብጥዕናዊ ጸገማቱ እምበር ብፖሊስ ብዝወረዶ ማህሰይቲ ኣይኮነን ሞይቱ ኢለን ከጋውሓ ጀሚረን ነይረን። እቲ ወግዓዊ ውጽኢት መርመራ ኣስክሬን ከም ዘመልክቶ ግን፡ ፍሎይድ ንሞት ዘቃልዕ ጥዕናዊ ጸገም ከም ዘይነበሮ ብምግላጽ፡ እቲ ፖሊስ ኣብ ክሳዱ ብእግሩ ስለ ዝረገጾ ተዓፊኑ ከም ዝሞተ ተሓቢሩ ኣሎ። እቲ ግዳይ መጥቃዕቲ ፖሊስ ዝኾነ ጆርጅ፡ ሰብ ሞያ ሕክምና \"ካርዲዩፑልሙናሪ ኣሬስት\" ኢሎም ብዝጽውዑዎ ጸገም፡ ልቢ ዑደት ደም ከተቋርጽ እንከላ ዝፍጠር ዝተሓላለኸ ጸገም እዩ። ጆርጅ ፍሎይድ፡ ክሳዱ ምስተረግጸ እቲ ናይ ደም ዑደት ተሰናኺሉ ክኽውን ከምዝኽእል እቲ መርመራ ኣስክሬን ይጠቅስ። ስድራ ጆርጅ ፍሎይድ'ውን እውን ብወገኖም ናይ ውልቂ መርማሪ ኣስክሬን ቖጺሮም ከምዝጻረ ገይሮም'ዮም። ኣብ መወዳእታ ብውጽኢት መርመራ እቲ ኣስክሬን ከምዝተረጋገጸ፡ እቲ ግዳይ፡ ኣብ ክሳዱን ሑቑኡን ብፖሊስ ስለ ዝተረገጸ ብሕጽረት ኦክሲጂን 'ኣሲፊክሲያ' እዩ ሞይቱ ይብል። ጠበቓ ስድራ ፍሎይድ ቤንጃሚን ክራምፕ፡ \"እቲ ፖሊስ ንፍሎይድ ክሳዱ እንተዘይረግጾን፡ እቶም ክልተ መሳርሕቱ ከኣ ኣብ ሑቑኡ እንተዘይረግጹዎ ሕጂ ብህይወት ምሳና ምሃለወ\" ኢሉ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52887780"} {"headline":"ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ኣሜሪካ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ጠጠው ንምባል ሰራዊት ክልእኽ'የ ኢሉ","content":"ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሓደርቲ ከተማታትን ግዝኣታትን ኣሜሪካ፡ ነቲ ንመዓልታት ዝቐጸለ ተቓውሞ ክቆጻጸርኦ እንተዘይክኢለን፡ ወተሃደር ልኢኸ ጠጠው ከብሎ እየ ኢሉ። እቲ ፕሬዝደንት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣመሓደርቲ \"ድሕነት ነበርቲ ክተውሕሱ እንተዘይክኢልኩም፡ ኣነ ክገብሮ እየ\" ኢሉ። በዚ መገዲ፡ ነቲ ንመዓልታት ዝቕጽል ዘሎ ተቓውሞ ስርዓት ከትሕዞ እየ ክብል'ውን ተሓንዩ። ወዲ 46 ዓመት ጆርጅ ፍሎይድ፡ ብግፍዒ ፖሊስ ምስ ተቐትለ፡ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ኣሜሪካ ከቢድ ናዕቢ ከም ዝተልዓለ ይፍለጥ። እዚ፡ ካብ ሜኔሶታ ከተማ ሚኒያፖሊስ ዝጀመረ ናዕቢ፡ ናብ ካልኦት ግዝኣታትን ከተማታትን ኣሜሪካ ልሒኹ፡ ብዙሓት ነገራት ካብ ቑጽጽር ፖሊስን መንግስትን ወጻኢ ኮይኖም እዮም። መብዛሕትአን ከተማታት ኣሜሪካ፡ ሰዓት እቶ እቶ እንተኣወጃ'ውን፡ ተቓወምቲ ግን ነዚ ኣየድሃቡሉን። እቲ ንጆርጅ ፍሎይድ ብእግሩ ኽሳዱ ሓኒቑ ዝቐተሎ ፖሊስ ድሬክ ቻቪን፡ ብገበን ቕትለት ተኸሲሱ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እዩ። ካልኦት ሰለስተ ፖሊስ ድማ ካብ ስርሖም ተሰጒጎም። ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ 'ሮዝ ጋርደን' ኣብ ዝተባህለ ሰውሒ ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ ኮይኑ እዩ መግለጺ ሂቡ። ንሱ መግለጺ ኣብ ዝህበሉ እዋን፡ ተቓወምቲ ንምብታን ፖሊስ መንብዒ ትኪ እናተጠቐሙን ተኩሲ'ውን ይስማዕ ነይሩ። \"በቲ ዝተፈጸመ ነገር ኩሉ ኣሜሪካዊ ሓዚኑ እዩ። ይኹን'ምበር ሞት ጆርጅ ፍሎይድ ምኽንያት ናዕብን ዕግርግርን ክኸውን የብሉን\" ኢሉ። ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ንዘጋጥም ዘሎ ስርቂ ድማ፡ \"መሕፈሪ\" ክብል ኮኒኑዎ። እዚ ናዕብን ዕግርግርን ጠጠው እንተዘይኢሉ፡ \"ብኣሽሓት ዝቑጸር ክሳብ ኣፍንጭኡ ዝተዓጠቐ ወተሃደር፣ ሓይሊ ምክልኻልን ኣኽበርቲ ሕግን ኣውፊረ ሕግን ስርዓትን ክኽበር ክገብር እየ\" ክብል ድማ ተሓንዩ። ኣመሓደርቲ እተን ከተማታትን ግዝኣታትን ነዚ ዝርኣይ ዘሎ ኩነታት ክቆጻጸርኦ እንተዘይክኢለን፡ እቲ መፍትሒ ሰራዊት ምልኣኽ ክኸውን እዩ'ውን ኢሉ። ይኹን'ምበር፡ ሕጹይ ዴሞክራት ጆ ባይደን ድሕሪ እዚ መግለጺ ተቓውምኡ ገሊጹ። \"ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣሜሪካ ሰራዊት ክልእኽ እየ ምባል፡ ታይ ዝብሉዎ ዕብዳን እዩ?\" ክብል ንዘረባ ትራምፕ ኣነኣኢሱዎ። ኣባል ባይቶ ቸክ ሹመር ብወገኑ፡ \"እዚ ፕሬዝደንት ኢሉ ኢሉ እምበር ወሪዱ፤ ዘረብኡ እኮ መንነቱ እዩ ዝነግረና\" ዝብል ነቐፌታ ኣስሚዑ። ትራምፕ፡ ነዚ ተቓውሞ ጠጠው ንምባል ወተሃደራት ክልእኽ እየ ምባሉ፡ ሚዲያታት'ውን እዩ ዘካትዕ ዘሎ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52887779"} {"headline":"ጆርጅ ፍሎይድ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተሰጎጉ ፖሊስ ሓድሽ ክሲ ተመስሪቱ","content":"ጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ሚኒያፖሊስ ምስ ተቐተለ ካብ ስርሖም ዝተሰጎጉ ፖሊስ ሓድሽ ክሲ ተመስሪቱዎም። ፖሊስ ደሪክ ሹቭን፡ ብካልኣይ ዲግሪ ገበን ቕትለት ክኽሰስ እንከሎ፡ እቶም ቅድም ኢሎም ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ክሲ ካብ ስርሖም ተኣልዮም ዝጸንሑ ሰለስተ ፖሊስ ድማ፡ ቕትለት ክፍጸም ብምሕጋዝን ብምትሕብባርን ብዝብል ተኸሲሶም ኣለው። ድሕሪ ሞት ፍሎይድ፡ ኣብ ኣሜሪካ ኣንጻር ዓሌታውነትን፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ዝፍጽሞ ቕትለትን ዘቕንዐ ሓያል ተቓውሞ ክካየድ ቐንዩ። መብዛሕትኦም ንዝሓለፉ ሸሞንተ መዓልታት ዝተኻየዱ ተቓውሞታት፡ ሰላማዊ ነይሮም። ገሊኦም ግን፡ ነቲ ብዙሓት ከተማታት ኣሜሪካ ዝኣወጅኦ ኣዋጅ እቶ እቶ ብምጥሓስ ናብ ዕግርግር ዝተቐየሩ እዮም። ሴናተር ሚኒሶታ ኤሚ ክሎቡቻር፡ እዞም ሓደሽቲ ክሲታት \"ናብ ፍትሒ ዝወስዱ ኣገደስቲ መገዲታት\" ክትብል ኣብ ትዊተር ጽሒፋ። ጠበቓ ስድራ ፍሎይድ ቤንጃሚን ክራምፕ ብወገኑ፡ \"እዚ ናብ መገዲ ፍትሒ ዝወስደና ኮይኑ፡ ስጋ ፍሎይድ ሓመድ ቅድሚ ምልባሱ ዝመጽአ ብምዃኑ ድማ ዕጉባት ኢና\" ኢሉ። ብተወሳኺ ግን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ቐዳማይ ተኸሳሲ ፖሊስ ዝቐረበ ክሲ ቐዳማይ ዲግሪ ቕትለት ክኸውን ከም ዘለዎን ምጽራይ ይካየድ ስለ ዘሎ፡ ዳሕራይ ክቕየር ዝኽእል እዩ ክብል ንሲኤንኤን ተዛሪቡ። ዓቃቢ ሕጊ ኪዝ ኤሊሰን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ፖሊስ ውጽኢታዊ ክሲ ምምስራት ክኸብድ ከም ዝኽእል እዩ ዝዛረብ። \"ነዚ ምስዓር ከቢድ እዩ፤ ከምዚኦም ዝበሉ ነገራት ክተሸንፍ ከቢድ ምዃኑ ብታሪኽ እናርኣና መጺእና ኢና\" ኢሉ። ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ሚኒሶታ ሓደ ፖሊስ ጥራሕ'ዩ ብተመሳሳሊ ጥፍኣት ገበነኛ ተባሂሉ። \"ጆርጅ ፍሎይድ፡ ብስድርኡ ዝፍቶን በዓልቲ ቤቱ ዘኽብርን ሰብ'ዩ ነይሩ\" ዝበለ ኤሊሰን፡ \"ስለዝኾነ ድማ ፍትሒ ክመጽእ ክንገብር ኢና\" ኢሉ። ብመሰረት ሕጊ ሚኒሶታ፡ ቐዳማይን - ካልኣይን ገበን ቕትለት፡ እቲ ተኸሳሲ ክቐትል ፈቲኑ'ዶ ነይሩ ዝብል መረዳእታ ክቐርብ ይጠልብ። ቐዳማይ ዲግሪ እንተኾይኑ ድማ፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ቕትለት ኣቐዲሙ ዝተወጠነ ጉዳይ ምዃኑ ዘረጋግጽ መረዳእታ ክቐርብ ይሕተት። ኣብ ሳልሳይ ዲግሪ ክሲ ገበን፡ እቲ ተኸሳሲ ነቲ ግዳይ ክመውት ደልዩዎ ድዩ ዝብል መረጋገጺ ከቕርብ ትጽቢት ኣይግበሮን። እኳ ድኣ፡ እቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ሓደገኛን ንህይወት ሰብ ክብሪ ዘይህብን እዩ ብዝብል ጥራሕ ይኽሰስ። ክሲ ካልኣይ ዲግሪ ገበን ቕትለት፡ ክሳብ 40 ዓመት ማእሰርቲ የፍርድ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/52916753"} {"headline":"ብቕትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተጠርጠሩ ሰለስተ ሰባት ቤት ፍርዲ ቀሪቦም","content":"ብቕትለት ሙዚቀኛ ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተጠርጠሩ ሓንቲ ጓል-ኣንስተይትን ክልተ ሰብኡትን ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም፡ ፖሰስ ንተወሳኺ ምጽራይ 14 መዓልቲ ክወሃቦ ሓቲቱ። ብተመሳሳሊ፡ ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ምስ ዝተልዓለ ናዕቢ ብዝተኣሳሰር ዝተኣሰሩ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ጃዋር መሓመድን በቀለ ገርባን እውን ሎሚ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም። ቤት ፍርዲ ንጉዳይ ጃዋር መሓመድ ንምርኣይ ን 9 ሓምለ፡ ጉዳይ በቀለ ገርባ ንምርኣይ ድማ ን 6 ሓምለ ቆጸራ ሂቡ። ኣብ ልዕሊ ክልቲኦም ፖለቲከኛታት ዝቐረበ ክሲ፡ ናዕቢ ኣለዓዒሎም ናይ ሰባት ህይወት ክጠፍእ ድማ ምኽንያት ኮይኖም ዝብል እዩ። ሬሳ ሃጫሉ ሁንዴሳ ናብ ከተማ ኣምቦ ኣብ ዝፋነወሉ እዋን ኣብ ዝነበረ ውጥጥ፡ ሓደ ፖሊስ ድሕሪ ምቕታሉ፡ ጃዋር መሓመድን ካልኦት 35 ሰባትን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ፖሊስ ገሊጹ እዩ። ኣይተ ጃዋር መሓመድን በቀለ ገርባን ኣባላት ፓርቲ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኮይኖም፡ እቲ ፓርቲ ማእሰርቶም ከምዘሻቐሎ ገሊጹ እዩ። ንመሰል ሰባት ዝጣበቕ ዓለማዊ ትካል ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ማእሰርቲ ፍሉጣት ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት “ዘይፍትሓዊ” ከምኡ ድማ “ዘሻቕል” ክብል ዝገለጾ ኮይኑ፡ ክፍትሑ ጸዊዑ እዩ። ኣባላት ኦሮሞ ፌዴራሊስት ኮንግረስ ዝኾኑ ኣይተ ጃዋር መሓመድን ኣይተ በቀለ ገርባን ብሰሉስ ንጉሆ ከምዝተኣሰሩ ዝጠቐሰ እቲ ትካል፡ ኣብ ፈለማ ዝተኣሰርሉ ቦታ ኣይተገለጸን ነይሩ ኢሉ። “ሕጂ ግን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ‘ሶስተኛ’ ኣብ ዝበሃል መደበር ፖሊስ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ተፈሊጡ’ሎ። ቤተሰቦም መግብን መድሓኒትን ክወስዱሎም ተፈቒዱሎም እኳ እንተኾነ፡ ምስ ጠበቓታቶም ክራኸቡ ተገይሮም’ዶ ዝብል ግን ኣይተፈልጠን” ኢሉ። ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ናይ ፍሉጥ ተቓዋሚ ፖለቲከኛ በቀለ ገርባ ወዱን ጓሉን እውን ተኣሲሮም ኣበይ ከምዘለዉ ኣይፍለጥን ኢሉ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53266531"} {"headline":"ትራምፕ ንኣመሪካ ክኸፋፍላ ፈቲኑ' ክብል ሚኒስተር ምክልኻል ነበር ነቒፍዎ","content":"ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ዝነበረ ጀምስ ማቲስ፡ ትራምፕ ንኣመሪካ ይኸፋፍላ ኣሎ፡ ንስልጣኑ'ውን ብዘይኣግባብ ይጥቀመሉ ኣሎ ክብል ነቒፉዎ። ትራምፕ 'ግቡእ መሪሕነት ክህብ ኣይከኣለን' ድማ ኢሉ። ጀምስ ማቲስ፡ ትራምፕ ነቲ ኣብ ኣመሪካ ተወሊዑ ዘሎ ተቓውሞን ናዕብን ዝኣለየሉ መገዲ ከምዘሰንበዶን ከምዘቖጠዖን'ውን እዩ ገሊጹ። ነዚ ነቐፌታታት ዝረኣየ ትራምፕ ድማ፡ ንማቲስ \"ዘይግበኦ ክብሪ ዝረኸበ ጀነራል\" ክብል ኣቆናጺብዎ። ነቲ ጀነራል ካብ መዝነቱ ብምእላዩ ሕጉስ ምዃኑ'ውን ገሊጹ። ትራምፕ ኣብ 2918 ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ሶርያ ክስሕቡ ምስ ወሰነ እዩ ጀምስ ማቲስ ካብ ስልጣኑ ለቒቑ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ክሳብ ሎሚ ስቕ ኢሉ እዩ ጸኒሑ። ትማሊ ረቡዕ ግን ኣብ መጽሄት 'ዘ ኣትላንቲክ' ንምምሕዳር ትራምፕ ኣትሪሩ ነቒፍዎ። \"ኣብ ህይወተይ ካብ ዝረኣኽዎም ፕረዚደንታት ንህዝቢ ኣመሪካ ከሕብር ዘይፍትን፡ ወይ'ውን ከም ዝፈተነ'ኳ ዘየምስል፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ጥራይ እዩ\" ኢሉ። ወሲኹ ድማ \"እኳደኣስ፡ ክኸፋፍለና እዩ ዝፍትን\" ኢሉ። ማቲስ፡ ብዛዕባ እቲ ብምኽንያት ሞት ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ዘጋጠመ ተቓውሞታት'ውን ርእይቶኡ ሂቡ። \"ነቶም ዝተወሰኑ ሕጊ ዝጥሕሱ ሰባት ኣይኮነናን ክንርኢ ዝግባእ። እቲ ተቓውሞታት ክግለጽ ዘለዎ በቶም ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ መትከላት ክብሪ ናይዛ ሃገር ክሕሎ ብዝጽውዑ ዘለዉ ሰባት እዩ\" ኢሉ። ጀነራል ማቲስ ኣብ 2018 ደብዳበ ኣእትዩ ካብ መዝነቱ ክለቅቕ ከሎ፡ ትራምፕ ንዝኽተሎ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ብምንቃፍ ዝወሰዶ ስጉምቲ ከም ዝኾነ ተገይሩ እዩ ተራእዩ። ሕዚ ድማ፡ ትራምፕ ነዚ ተቓውሞታት ወተሃደራዊ ግብረ-መልሲ ምሃቡ ኮኒንዎ። \"ወተሃደራት ንሕገመንግስታዊ መሰል ዜጋታቶም ክጥሕሱ ትእዛዝ ክወሃቦም እዩ ኢለ ሓሊመዮ'ኳ ኣይፈልጥን\" ኢሉ። \"ከምቲ ኣብ ዋሽንግተን ዝረኣናዮ፡ ወተሃደራዊ ግብረ-መልሲ ምሃብ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊትን ስቪል ሕብረተሰብን ጎንጺ ዝፈጥር እዩ\" ኢሉ። ማቲስ ነዚ ዝበለ፡ ነቲ ኣብ መጀመርያ ናይዚ ሰሙን ኣብ ጥቓ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ንዘጋጠመ ክስተት ብምድራኽ እዩ። ኣብቲ ግዜ፡ ሰልፈኛታት ብሰላማዊ መገዲ ተቓውመኦም እናገለጹ እንከለዉ፡ ብመንብዒ ትኪን ብጎማ ጥይትን ክብተኑ ተገይሮም። ብድሕሪ'ዚ፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ዋይት ሃውስ ዝርከብ ብናዕበኛታት ዝነደደ ታሪኻዊ ቤተክርስትያን ከይዱ ስእሊ ተሳኢሉ። በዚ ተግባሩ ድማ፡ 'ስእሊ ክሰኣል ክብል ንሰላማዊ ሰልፈኛታት ዒላማ ገይሩ' ብዝብል ሓያሎ ነቐፌታ ወሪድዎ። ጀነራል ማቲስ ኣብ ጽሑፉ፡ እቲ ፕረዚደንት ስእሊ ክሰኣል መታን ንሰልፈኛታት ምብታን \"ንስልጣንካ ብዘይ ኣግባብ ምግልጋል እዩ\" ኢሉ። ዋላ'ኳ ሰዓት እቶ እቶ ተኣዊጁ እንተሎ፡ ረቡዕ ለይቲ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ተቓውሞታት ቀጺሉ እዩ። መብዛሕትኡ እቲ ተቓውሞታት ሰላማዊ እዩ ነይሩ። ከተማታት ሎስ ኣንጀለስን ቺካጎን'ውን 'እቲ ዝሓየለ ናዕቢ ሓሊፉ እዩ' ብዝብል፡ ብሰንኪ እቲ ተቓውሞታት ኣንቢረንኦ ንዝጸንሓ እገዳታት ከፍኩሰኦ ጀሚረን ኣለዋ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52916758"} {"headline":"ሞት ጆርጅ ፍሎይድ፡ ኣብ ኣመሪካ ናዕቢ ንሻድሻይ መዓልቱ ቀጺሉ","content":"ብሰንኪ ቅትለት ጆርጅ ፈሎይት ዝተጀመረ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ናብ ልዕሊ 60 ከተማታት ኣሜሪካ ተዘርጊሑ ይርከብ። ርእሰከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ብሓያል ናዕብን ዕግርግን ከምዝተናወጸት'ውን ተገሊጹ። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ከባቢ ቤተ-መንግስቲ ዝነበረ ሓያል ናዕቢ ተሰናቢዱ፡ ኣብቲ ኣብቲ ቤተ-መንግስቲ (ዋይት ሃውስ) ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ዘሎ መሕብኢ ንውሱን ሰዓታት ከምዝተወስደ ተገሊጹ። ትራምፕ፡ ነቶም ናዕበኛታት ዜበታዊ ግብረሽበራውያንን ዕግርግር ዘለዓዕሉ ፋሉላትን ክብል ገሊጽዎም። ወዲ 46 ጆርጅ ፍሎይድ፡ ድረክ ቹቫን ዝተባህለ ጻዕዳ ኣባል ፖሊስ፡ ኣብ ክሳዱ ብብርኩ ረጊጽዎ፡ ክጻዓርን ምስትንፋስ ስኢኑ ክዛረብን ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርግሑ ኣብ ምሉእ ዓለም ቁጠዐ ፈጢሩ ይርከብ። ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ኣብቲ እዋን ኣብ ትሕቲ እግሪ ፖሊስ ሂወቱ ምሕላፉ ይዝከር። በዚ ዝጀመረ ህዝባዊ ተቓውሞ ድማ ኣብ ከተማታት ኒውዮርክ፡ ኦክላንድ፤ ኣትላንታ፡ ዳላስ፡ ዋሽንግተን ዲሲ ከምኡ'ውን ኣብ ካልኦት ዝተፈላለያ ከተማታት ኣመሪካ ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ። ጆርጅ ፍሎይድ ዝተብሃለ ጸሊም ኣመሪካዊ፡ ብፖሊስ ክሳዱ ተረጊጹ ምስ ሞተ እዩ ኣብ ከተማታት ኣመሪካ ተቓውሞታት ተላዒሉ። ነዚ ናዕብታት ንምህዳእ ኣብ ኣስታት 60 ከተማታት ሰዓት እቶ እቶ ተኣዊጁ ነይሩ። እንተኾነ፡ ሰባት ነቲ ኣዋጅ ሰዓት እቶ እቶ ኣየኽበርዎን። በዚ ድማ፡ ምስ ፖሊስ ኣብ ጎነጽ እዮም ዘለዉ። ኣብ ከተማታት ኒውዮርክ፣ ቺካጎ፣ ፍላደልፍያን ሎስ ኣንጀለስን፡ ፖሊስ ንሰልፈኛተት ክብትኑ ዘንብዕ ትኪ ተኲሶም። ኣብ ብዙሓት ከተማታት ናይ ፖሊስ መካይን ነዲደን፡ ዱኳናት እውን ተዘሚቶም እዮም። እቲ ናዕቢ እናኸበደ ስለ ዝመጽአን ልዕሊ ዓቕሚ ፖሊስ ብምዃኑን፡ ሃገራዊ ሓለዋ ዝበሃሉ ኣካል ሰራዊት ኣመሪካ ዝኾኑ ወተሃደራት ተዋፊሮም ኣለዉ። ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ፡ ጥቓ ዋይት ሃውስ ሕጂ'ውን ብዙሓት ሰልፈኛታት እዮም ዝእከቡ ዘለዉ። ኣብ ጥቓ እቲ ቤተመንግስቲ ንዝርከቡ ገለ ንብረት ድማ ኣንዲዶም። ካብቶም ብሓዊ ዝተባርዑ ሓደ፡ ኤጲስ ቆጶሳዊ ቤተክርስትያን ቅዱስ ዮሃንስ (ሴንት ጆንስ ኤፒስኮፓል ቸርች) ሓደ እዩ። እዚ ቤተክርስትያን ታሪኻዊ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ጥቓ ዋይት ሃውስ ዝርከብን \"ቤተክርስትያን ፕረዚደንታት ኣመሪካ\" እናተብሃለ ዝፍለጥን እዩ። ብዓርቢ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ቤተመንግስቲ ዕግርግር ምስ ተላዕለ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብሓለውቱ ትሕቲ ምድሪ ናብ ዘሎ ናይ ሓደጋ እዋን መሕብኢ ተወሲዱ ምንባሩ ተፈሊጡ'ሎ። እዚ ድማ፡ ንሓጺር እዋንን ንውሕስነቱ ተባሂሉ ዝተገብረ ምንባሩን ተገሊጹ። እቲ ኣመሪካ ሕዚ ኣጋጢሙዋ ዘሎ፡ ብሰንኪ ዓሌታውነት ዝተወለዐ ዘይምርግጋእ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ 1998 ብቕትለት ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝተወለዐ ናዕቢ፡ ተራእዩ ዘይፍለጥ እዩ። ኣብ ልዕሊ 75 ከተማታት፡ ተቓውሞተት ነይሩ። ቅድሚ መዓልታት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ጸው ኢሎም ዝነበሩ ጎደናታት ኣመሪካ፡ ሕጂ ብሰልፈኛታት ኣዕለቕሊቖም እዮም ዘለዉ። እዚ ድሕሪ ቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ ተላዒሉ ዘሎ ናዕቢታት፡ መግለጺ ቁጥዐ ናይቶም ኩሎም ብፖሊስ ኣመሪካ ዝፍጸሙ ቅትለታት ጸለምቲ ኣመሪካውያን ከም ዝኾነ እዩ ዝግለጽ። ብተወሳኺ ድማ፡ ንዓመታት ዝተዋህለለ ማሕበረ-ቁጠባዊ ዘይማዕርነት ዝወለዶ ቁጠዐ'ውን እዩ። ብሰንበት ብዙሓት ናይ ፖሊስ መካይን ዓንየን ከምኡ'ውን ተቓጺለን። ፖሰስ ድማ ብመንብዒ ትኪ መልሲ ሂቦም። ኣብ ፊላደልፍያ፡ ናዕበኛታት መካይን ፖሊስ እናሰበሩን ንሓደ መደብር ክዘምቱን ተራእዮም። ኣብ ሳንታ ሞኒካን ካሊፎርኒያን'ውን ዘመተን ስርቅን ከም ዝነበረ ይግለጽ። ኣብ እዋን እቲ ንመዓልታት ዝቐጸለ ተቓውሞታት ብውሕዱ 4,100 ሰባት ከም ዝተቐየዱ ይግለጽ። ምኽንያት መእሰሪኦም ድማ፡ ገሊኦም ብስርቂ፣ ገሊኦም መገዲ ብምዕጻው፣ ገሊኦም ድማ ብምጥሓስ ሰዓት እቶ እቶ እዩ። ኣብ ኣትላንታ፣ ቦስተን፣ ማያሚን ኦክላሆማን እውን ዓበይቲ ናይ ተቐውሞ ሰልፍታት ተኻይዶም እዮም። ኣብ ገለ ቦታታት፡ ፖሊስ ዘይተመጣጠነ ሓይሊ ተጠቒሙ ብዝብል'ውን ክንቀፍ እንከሎ፡ ኣብ ኣትላንታ ጆርጂያ፡ ክልተ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ 2 ናይ ኮሌጅ ተምሃሮ ዘይተመጣጠነ ሓይሊ ተጠቒምኩም ብዝብል ካብ ስርሖም ተኣልዮም እዮም። እቲ ንኽሳድ ጆርጅ ፍሎይድ ዝረገጸ ጻዕዳ ፖሊስ ድማ ብገበን ቕትለት ክሲ ቀሪብዎ ኣሎ። ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ብዙሕ ዝተዘርገሐ ቪድዮ፡ እቲ ድሬክ ቸውቪን ዝበሃል ጻዕዳ ፖሊስ፡ ንኽሳድ ጆርጅ ፍሎይድ ንብዙሕ ደቓይቕ ረጊጽዎ ይረኣይ። ፍሎይድ ድማ፡ ክትንፍስ ኣይከኣልኩን እናበለ ደጋጊሙ ክዛረብ ይስማዕ። ድሕሪ'ዚ እዩ ህይወቱ ሓሊፉ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52874817"} {"headline":"ጆርጅ ፍሎይድ፡ ኣፍሪቃውያን-ኣመሪካውያን፡ ሕጊ ብኸመይ ፍትሒ ይህቦም?","content":"ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ግዝኣት ኣሜሪካ ሚኒሶታ ከተማ ሚኒያፖሊስ ድሕሪ ዘጋጠመ ቕትለት ጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ፡ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ኣሜሪካ ሓያል ናዕቢ ተላዒሉ ቐንዩ። ወዲ 46 ዓመት ፍሎይድ፡ ፖሊስ ኣብ ክሳዱ ብእግሩ ሓኒቑ ምስ ሓዞ'ያ ህይወቱ ሓሊፋ። በዚ ምኽንያት፡ እቲ ውልቀሰብ ናይ ምትንፋስ ሕጽረት ኣጋጢሙዎ ብሰብ ከም ዝተቐትለ ዘረጋግጽ ውጽኢት መርመራ ኣስክሬን ሎሚ መዓልቲ ተገሊጹ። ኣብ ኣሜሪካ ዝፍጸሙ ገበናትን ዝወሃብ ፍትሕን ዝምልከት መረዳእታ ንገሊኡ ዳህሲስናዮ ኣለና። ሕጊ እታ ሃገር'ከ፡ ንጸለምቲ ኣሜሪካውያን ከመይ'ዩ ዝዳንዮም? 1. ኣፍሪቃ-ኣሜሪካውያን፡ ብጥይት ናይ ምቕታል ዕድሎም ሰፊሕ'ዩ ፖሊስ ጥይት ተኲሶም ዘስዓቡዎ ሞት ክርኣይ እንከሎ፡ ብመንጽር ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ኣሜሪካ፡ ኣፍሪቃ - ኣሜሪካውያን፡ ተቐቲሎም ናይ ምሟት ዕድሎም ሰፊሕ ከም ዝኾነ ምርዳእ ይከኣል። ብ2019፡ ብዝሒ ህዝቢ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ትሕቲ 14 ሚኢታዊት ከም ዝነበረ፡ መረዳእታ ቖጸራ ህዝቢ ኣሜሪካ የመላኽት። ግን ድማ፡ ፖሊስ ተኲሶም ኣብ ዘስዓቡዎ ሞት ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዜጋታት፡ 23 ሚኢታዊት ጸለምቲ እዮም። እዚ፡ ካብ 2017 ጀሚሩ ለውጢ ከየርኣየ እዩ መጺኡ። ቑጽሪ ብተመሳሳሊ ኣጋጣሚ ዝሞቱ ጸዓዱ ግን እናነከየ መጺኡ። 2. ጸለምቲ ኣሜሪካውያን፡ ብመዐወኒ ሓሽሽ ናይ ምእሳር ዕድሎም ዝለዓለ እዩ ኣፍሪቃ-ኣሜሪካውያን፡ ብተመሳሳሊ ገበን ካብ ጸዓዱ ንላዕሊ ከም ዝእሰሩ፡ መረዳእታታት የመልክቱ። ብ2018፡ ካብ 100 ሽሕ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን እቶም 750 ብገበን መዐወኒ ሓሽሽ ተኣሲሮም። ኣብዚ ግዘ፡ ብተመሳሳሊ ገበን ዝተኣሰሩ ጸዓዱ ኣሜሪካውያን፡ ካብ 100 ሽሕ 350 ጥራሕ እዮም። ቅድም ክብል፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኣጠቓቕማ መዐወኒ ሓሽሽ ጠሚቱ ዝተካየደ መጽናዕቲ ከም ዘርእዮ፡ ጸዓዱ ኣሜሪካውያን ምስ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ብተመሳሳሊ ደረጃ ሓሽሽ ከም ዝጥቀሙ ይገልጽ። ይኹን'ምበር፡ እቶም ጸለምቲ እዮም ዚያዳ ዝእሰሩ። ንኣብነት፡ ማሕበር ሲቪል ናጽነት ኣሜሪካውያን ብዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ዋላ'ኳ ክልቲኦም ዓሌት ማሪዋና ኣብ ምጥቃም ዘለዎም ፍልልይ ተመሳሳሊ እንተኾነ፡ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ማሪዋና ብምጥቃም ካብቶም ጸዓዱ፡ ብልዕሊ 3.7 ዕጽፊ ናይ ምእሳር ተኽእሎ ኣለዎም። 3. ብዙሓት ጸለምቲ ኣሜሪካውያን እሱራት'ዮም ጉዳይ ማእሰርቲ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ምስ ጸዓዱ ደቂ ሃገሮም ክወዳደር እንከሎ፡ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ዝዛየደ እዩ። ብ2018፡ ብዝሒ ህዝቢ ኣፍሪቃ - ኣሜሪካውያን ኣስታት 13 ሚኢታዊት'ዩ ነይሩ። ግን ድማ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዘሎ ኣሜሪካዊ፡ እቶም ልዕሊ 33 ሚኢታዊት [ሓደ መሰለስ ብዝሒ ህዝቢ ኣሜሪካ] ዝሕዙ እቶም ጸለምቲ እዮም። እቶም 60 ሚኢታዊት ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ዝውክሉ ጸዓዱ ኣሜሪካውያን፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዎም ውክልና ኣስታት 30 ሚኢታዊት እዩ። እዚ ማለት፡ ካብ 100 ሽሕ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን እቶም ልዕሊ ሓደ ሽሕ ክእሰሩ ከለው፤ ካብ 100 ሽሕ ጸዓዱ እቶም 200 እዮም ዝእሰሩ። ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመት ቑጽሪ ዝእሰሩ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ምንካይ እንተኣርኣየ'ውን፡ ሕጂ'ውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ ብዝሖም ካብቲ ካልእ ዓሌት ዝዛየደ እዩ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52887782"} {"headline":"ንሓርነት እናዘየመ ዝተቐትለ ውሩይ ኢትዮጵያዊ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ","content":"ወዲ 34 ዓመት ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ኣብ ብሄረ ኦሮሞ ኣዝዩ ልዑል ዝኾነ ፖለቲካ ሓዘል ደርፍታት ብምፍራይ ሓያለ ሰዓብትን ደገፍትን ዘጥረየ ውሩይ ስነጥበባዊ እዩ፡ ስነጥበብ ግን ፈተውቲ ጥራይ ኣይኮነን ኣጥርይሉ፡ ጸላእቲ’ውን ፈጢርሉ እዩ። ሃጫሉ ብሰኑይ እዩ ኣብ መኪንኡ እንከሎ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብጥይት ተቐቲሉ፡ ምስ ቅትለቱ ምትሕሓዝ ኣለዎም ዝተብሃሉ ክልተ ጥርጡራት ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ፡ እንተኾነ ፖሊስ፡ ሃጫሉ ብምንታይ ምኽንያት ከምዝተቐተለን እቶም ጥርጡራት’ውን ክሲ ተመስሪትዎም ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራቦምን ዘይምቕራቦምን ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን ዘሎ። ቀብሪ ሙዚቀኛ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ሎሚ ኣብ ከተማ ኣምቦ ተፈጺሙ። ጋዜጤኛ ቢቢሲ ኣፋን ኦሮሞ በቀለ ኣቶማ ብዛዕባ’ቲ ‘ንተኸታተተልቲ ስርዓታት ዕሾኽ ዝኾኖም’ ዝበሎ ስነጥበባዊ ሃጫሉ ነዚ ዝስዕብ ጽሒፉ ኣሎ። ሃጫሉ ኣብ ዝሓለፈ ስርዓት ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ለውጢ ምምጽኡ ናይ ፖለቲካ እሱር እዩ ነይሩ፡ ብመዳይ ስነጥበብ ከኣ በቲ ብዛዕባ ፖሎቲካን ፍቕርን ዝደርፎ ደርፍታት ሓደ ካብ ስሙያት ኢትዮጵያውያን ደርፍቲ ክኸውን ክኢሉ እዩ። ኣቡኡ ንሃጫሉ ኣብ ከተማ ኣምቦ፡ ኣብ እንዳ ኢለትሪክ እዩ ዝሰርሕ ነይሩ፡ ወዲ ከኣ ዶክተር ክኾነሉ እዩ ዝደሊ ነይሩ እንተኾነ ሃጫሉ ካብ ብንእሽትኡ ሃሙን ቀልቡን ኣብ ደርፍን ደራፋይ ምዃንን'ዩ ነይሩ። ነተን ዝነበራኦም ከብቲ ክጓሲ ንበረኻ ኣብ ዝወፍረሉ ድማ ድምጹ ካብ ጎቦ ናብ ጎቦ መቓልሕ ክሳብ ዝመልስ ዓው ኢሉ ይደርፍ ነበረ፡ ኣዲኡ እውን ንናይ ደርፊ ወንኡ ትፈትወሉ ነይራ እያ። ኣብ 2017 ምስ ቢቢሲ ኣፋና ኦሮሞ ቃለ መጠየቕ ኣብ ዝገበረሉ “ኣብ ርእሰይ ዝመጽኣኒ እየ ዝደርፍ ነይረ” ምባሉ ይዝከር። ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ሃጫሉ ኣብታ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንምዕራብ ኣስታት 100 ኪሎሜትር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ኣምቦ ኣብ 1986 እዩ ተወሊዱ፡ ሸውዓተ የሕዋት ድማ ኣለውዎ። ህዝቢ ኣሮሞ፡ በቲ ኣብቲ ግዜ ዝነበረ ስርዓት ይጭፍለቕ ኣለኹ ዝብል ስምዕታ ስለዝነበሮ ነብሰይ ከመሓድር ዝብል ሕቶ ወትሩ ምስ ኣልዓለ እዩ። ብሰንኪ እዚ ኣብቲ ከባቢ ተቓውሞታት ምክያድ እጉድ፡ ተቓውሞ ዘካየዱ ምእሳር ድማ ንቡር እዩ ነይሩ። ሃጫሉ ኣብታ ዝተወለደላ ከተማ ኣምቦ እዩ ትምህርቲ ጀሚሩ፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝነበሩ ተምሃሮ ንናጽነት ዝጠልብ ምውድዳብ ስለዝነበሮም ከኣ፡ ዓይኑ ከይሓሰየ ምስኦም ተጸንቢሩ ክነጣጥፍ ጀመረ። ኣብ 2003 ወዲ 17 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ ድማ ብዝገብሮ ዝነበረ ፖሎቲካዊ ምንቅስቃስ ተታሒዙ ንሓሙሽተ ዓመታት ከም ፖሎቲካዊ እሱር ተኣሰረ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ኣብኡ ክበጽሖ ኣብ ዝኸደሉ ንወዱ ሞራል የስንቖ ከም ዝነበረ እዩ ሃጫሉ ዝሕብር፡ ኣቡኡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝበጽሓሉ “ማእሰርቲ ንሰብ የትርሮ እዩ፡ ንስኻ’ውን ኣጆኻ ትረር” ይበሎ ነይሩ። ሃጫሉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ኣብ ፖሎቲካ ዘለዎ ንቅሓት ኣብ ምብራኽ እዩ ዘሕልፎ ነይሩ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ ብዛዕባ ታሪኽ ኢትዮጵያ ከጽንዕን ብዛዕባ ሕሉፍ ንጉሳዊ ኣመሓዳድራ ኢትዮጵያን ውልቀምልክን ዓሚቕ ፍልጠት ከጥሪ ክኢሉ። ጎኒ ጎኒ እቲ ናይ ፖሊቲካዊ ፍልጠት፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ ናይ ሙዚቃ ክእለቱ’ውን ከማዕብል ክኢሉ። ሃጫሉ ኣብ 2017 ምስ ቢቢሲ ኣገልግሎት ቋንቋ ኦሮሞ ቃለ መጠየቅ ኣብ ዝገበረሉ “ክሳብ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝኣቱ ግጥሚ ከመይ ይጽሓፍ ዜማ ከመይ ከዝይም ይኽእል እኹል ኣፍልጦ ኣይነበረንን፡ ነዚ ሕጂ ዘለኒ ክእለት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይነ እየ ኣጥርየዮ” ኢሉ ነይሩ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ድማ ኣስታት ትሽዓተ ዝኸውን ደርፍታተ ብምስራሕ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈትሐ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣብ 2009 ‘ሳኚ ሞቲ፤ (ግጥም እቲ ንጉስ) ዝሰመያ ምልእቲ ኣልበም ኣሕቲሙ፡ ናብ ህዝቢ ዘርጊሕዋ። ናብ ስደት ኣይከይድን’የ ኢሉ ዕጭ ሓንፊፉ እታ ኣብ 2009 ዝዘርግሓ ቀዳመይቲ ኣልበሙ እኹል ህቦብነት ኣጥርያ ንሃጫሉ ከም ሓደ ተምሳሌት ቃልሲ ህዝቢ ኦሮሞ ንኽውሰድ ዓቢ ባብ ኣርሕያትሉ። ንሱ ግን “ኣነ ፖሎቲከኛ ኣይኮንኩን፡ ኣነ ስነ ጥበባዊ እየ፡ ህዝበይ ዝሓልፎ ዘሎ ብደርፊ ስለዘቕርብክዎ ድማ ፖሎቲከኛ ኣየብለንን’ዩ” እዩ ዝብል ነይሩ። ኣብ እዋን መሪሕነት ቀዳሞት ሚኒሰትራት ነበር መለስ ዜናውን፡ ሃይለማርያም ደሳለኝን ብዙሓት ስነጥበባውያንንን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ይእሰሩ ስለዝነበሩ፡ ማእሰርቲ ብምፍራሕ ዓዶም ገዲፎም ናብ ስደት ከምርሑ ተገዲዶም እዮም፡ ሃጫሉ ግን መንእሰያት ንመሰሎም ደው ክብሉ ኣለዎም ብምባል ካብ ኢትዮጵያ ከምዘይወጽእን ናይ ምውጻእ ድሌት ከምዘይብሉን ብተደጋጋሚ እዩ ዝገልጽ ነይሩ። ሓንቲ ካብ ፍትዋት ደርፍታቱ፡ ምስ ሓንቲ ብመንነታ ኣዝያ ሕብንቲ ዝኾነትን ንመንነታ ክትብል ንሞት ድልውቲ ዝኾነትን ጽብቕቲ ጎርዞ ከመይ ኢሉ ፍቕሪ ከምዝሓዞ እተዘንቱ እያ። ‘ብዓል ፈረስ ተባዕ ተቓላሲ' ካልኣይቲ ኣልበም ሃጫሉ ‘ዋኤ ኬኛ’(ናትና ነገር) ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ኮይና ኣብ 2013 ኣብ ኣሜሪካ ዑደት እናኣካየደ እንከሎ እዩ ናብ ህዝቢ ዘርጊሕዋ፡ ኣብ ግዚኣ ድኣ ኣብ ኣማዞና ካብ ናይ ኣፍሪቃ ደርፍታት ዝበዝሐት ዝተሸጠት ኣልበም እያ ነይራ። ሃጫሉ ድሕሪ ክልተ ዓመታት’ውን ‘ማላን ጂራ’ (እንታይ ናብርኡ?) ዝሰመያ ኣዝያ ፍትውቲ ንጽል ደርፊ ደሪፉ። እዛ ደርፊ መንግስቲ ነቶም ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ተወለድቲ ኦሮሞ ካብ ቤቶም ኣፈናቕሉ ንኣዲስ ኣበባ ናይ ምስፋሕ መደብ ምስ ሓንጸጸ ዝደረፋ እያ ነይራ። ሃጫሉ ነቲ ኣብ 2015 ዝርአ ዝነበረ ክስተታት ‘ታሪኽ ይድገም ከምዘሎ የርእየኒ ነይሩ’ እዩ ዝብሎ። ሃጫሉ ንድሕሪት ብምምላስ ፡ እዛ ሕጂ ኣዲስ ኣበባ ትብሃል ዘላ ከተማ ናይ ቱላማ ዝብሃሉ ቀቢላ ናይ ኦሮሞ ምንባራን ብሃጸይ ሚኒሊክ ካልኣይ፡ ብሓይሊ ተደፊኦም ካብቲ ቦታ ክርሕቁ ከምዝተገደዱን እዩ ዝሕብር። ሃጫሉ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ሃጸይ ሚኒሊክ ኣብ 1886 ነዛ ሕጂ ዘላ ኣዲስ ኣበባ መሳፍርኡ ምስ ገበራ፡ ካብቶም ሰብ ፈረስን ተባዓት ተቓላስትን ህዝቢ ኦሮሞ ኣፈራስ ይሰርቕ ነይሩ ብምባሉ፡ ካብቶም ደገፍቲ ሃጸይ ምንሊክ ዓቢ ተቓውሞ ኣጋጢምዎ ነይሩ። ኣብ 2015፡ ህዝቢ ኦሮሞ ካብ ቤት ንብረቱ ከይፋናቐል ዝጽውዕ ኣብ ዝነበረ ተቓውሞ ህዝቢ ኦሮሞ፡ እቲ ህዝቢ ንደርፍታት ሃጫሉ ከም መዝሙር እዩ ዝጥቀመሉ ነይሩ። ሃጫሉ ኣብ 2017 ኣብ ዘውጽኣ ንጽል ደርፊ’ውን “ካብ ደገ ዝመጽአኩም ሓገዝ ኣይትጸበዩ፡ ብትጽቢት ሕልሚ ክውን ኣይከውንን’ዩ፡ ኣፍራስኩም ኣልዒልኩም ተቓለሱ፡ እቲ ቤተ መንግስቲ ጥቃኹም’ዩ ዘሎ” ዝብል ንብዙሓት መንእሰያት ኦሮሞ ዘነቓቐሐ ደርፊ ደሪፉ፡ እዚ ከኣ ንመጠን ሰዓብቱ ብዕጽፍታት ከዛይዶ ክኢሉ እዩ። “ፍርሒ ኣልቦ ደረፋይ” እቲ በብቅሩብ ፈኸም ዝብል ዝነበረ ተቐዓውሞ ህዝቢ ኦሮሞ፡ ናብ ዝዓበየ ፖሎቲካዊ ናጽነት ብምዕባይ ኣብ 2018 ኣብይ ኣሕመድ ፈላማይ ካብ ህዝቢ ኦሮሞ ናብ ቦታ ቀዳማይ ሚኒሰትርንት ክመጽእ ባብ ኣርሕዩ። ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ፖሎቲካውያን እሱራት ከምዝፈትሕ፡ ፖሊቲካውያን ውዱባት ብናጽነት ንኸውዳደሩ ዕድል ከምዘጣጥሕን ነጻን ዲሞክራስያውን ምርጫ ከምዝካየድ ቃለ ኣትዩ። ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ ምጽአ ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ፡ ድምጻዊ ሃጫሉ ኣብቲ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንምቕባል ዝተኻየደ ድሙቕ ባህላዊ ምሸት ደርፊ ከቕርብ ዕድመ ቀሪብሉ። ድምጻዊ ሃጫሉ ኣብቲ መድረኽ’ውን ከም ቀደሙ ፍርሒ ኣልቦ ኮይኑ ብምቕራብ፡ ነቶም ኣብ ምብራቅ ኢትዮጵያ ኣብ ሞንጎ ኦሮምያን ሶማልያን ብዝካየድ ዝነበረ ዓሌታዊ ጎንጺ ዝሞቱ ኢትዮጵያውያን ፍትሒ ክረኽቡ ብምጽዋዕ፡ “ሰብ እናሞተስ ‘ኮንሰርት’ ተራእይኩም” ብምባል እዩ ሕቶኡ ንመራሕቲ ኣቕሪቡ። ላዕለዎት መራሕቲ ኣብቲ መድረኽ ከምኡ ኢሉ ምድራፉ “ዘይግቡእን ግዚኡ ዘይሓለወን” ኢሎም እኳ ነቐፌተኦም እንተኣስምዑ ህቡብነት ሃጫሉ ግን ዝያዳ እዩ ወሲኹ። ደርፍታት ሃጫሉ ዋላ እኳ ብቋንቋ ኦሮሞ እንተኾነ በቶም ኣብ ኢትዮጵያ ናጽነት ክህሉ ዝጠልቡ ካልኦት ብሄራት’ውን ዓቢ ተቐባልነት ከጥሪ ክኢሉ እዩ። ሃጫሉ ኣብታ ብሰኑይ ብጥይት ዝተቐተለላ ኣዲስ ኣበባ እዩ ዝነብር፡ ብምንታይ ምኽንያት እዩ ተቐቲሉ ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኮነን፡ ኣቐዲሙ’ውን ካብቶም ምስ ፖለቲካዊ ኣርኣእይኡ ዘይሰማምዑ ሰባት ብተደጋጋሚ ናይ ሞት መጠንቀቕታታት ይመጽኦ ምንባሩ ይሕብር ነይሩ’ዩ። ሃጫሉ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት “ሙዚቃ ህይወተይ እዩ፡ ፈተውትን ጸላእትን ድማ ኣጥርየሉ እየ፡ ምስ ህዝበይ እቲ ዘለኒ ዓሚዩቕ ስምዒታት ዝገልጸሉ ኣገባብ ስለዝኾነ'የ ከኣ ህይወትይ እዩ ዝብሎ” ኢሉ ነይሩ። ድሕሪ ሞት ሃጫሉ፡ ደገፍቱ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኢትዮጵያ ተቓውሞታት ብምልዓል ምስ ኣካላት ጸጥታ እታ ሃገር ብዝተፈጠረ ምጉናጽ፡ ክሳብ ሕጂ ብውሕዱ 61 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ፡ ልዕሊ 30 ሰባት ድማ ተኣሲሮም ኣለዉ፡ ሓደ ካብዚኦም ፍሉጥ ፖሎቲከኛ ጃዋር መሓመድ እዩ። ደገፍቲ ሃጫሉ ሞቱ ምስ ሰምዑ ባንዴራ ክልል ኦሮምያ ሒዞም “ሓደ መዓልቲ ነጻ ክንወጽእ ኢና፡ ሃጫሉ ደምካ ብላሽ ኣይክኸውንን’ዩ” ዝብል ድምጺ የስምዑ ነይሮም። ሃጫሉ ካብታ ብሓዳር ምስኡ ን 10 ዓመታት ዝገበረት ፋንቱ ደምሴ ክልተ ቆልዑ ኣለወኦ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53263127"} {"headline":"ዊልፍሬድ ዛሃ፡ ፖሊስ እንግሊዝ ንወዲ 12 ዓመት ቆልዓ ብዓሌታዊ መልእኽትታቱ ቀይዱ","content":"ፖሊስ እንግሊዝ፡ ማሕበራዊ መራኸቢ ተጠቒሙ ናብ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ጋንታ ክሪስታል ፓላስ ዊልፍሬድ ዛሃ ዓሌታዊ መልእኽትታት ንዝጽሓፈ ወዲ 12 ዓመት ቆልዓ ኣብ ቀይዲ ከም ዘውዓለን ምጽራይ ከም ዝጀመረን ኣፍሊጡ። ዛሃ፡ ቅድሚ እቲ ጋንትኡ ምስ ኣስቶን ቪላ ብሰንበት ዝገበረቶ ጸዋታ ብማሕበራዊ ሚድያ ብዙሕ ዓሌታዊ ጸርፍታት ከም ዝበጽሖ ኣፍሊጡ። ኣሰልጣኒኡ ሮይ ሃድሰን ነቲ ዝተፈጸመ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ \"ዝወረደን ንዑቕን\" ክብል ገሊጽዎ። ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ'ውን ነቲ ኣብ ልዕሊ ዊልፍሬድ ዛሃ ዝተፈጸመ ተግባር \"ፍጹም ተቐባልነት ዘይብሉ\" ክብል ኮኒንዎ'ሎ። ፖሊስ ዌስት ሚድላንድ ነቲ ጉዳይ ከም ዝከታተሎ ብትዊተር ካብ ዝሕብር ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ነቲ ቖልዓ ኣብ ቀይዲ ከም ዘውዓሎ ኣፍሊጡ እዩ። \"ናብቲ ተጻዋቲ ብተኸታታሊ ዓሌታዊ መልእኽትታት ከም ዝበጽሕዎ ፈሊጥና ኣለና። ምስ ረኣናዮም ከኣ ነቲ ቆልዓ ኣብ ቀይዲ ኣውዒልናዮ ኣለና\" ይብል መግለጺ ፖሊስ። እቲ ወዲ 12 ዓመት ቆልዓ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተወሰደ ብምሕባር ከኣ ንዓሌታውነት \"ኣይክንጻወሮን\" ኢሉ። ኣሰልጣኒ ሃድሰን በቲ ተግባር ከም ዝተቖጠዐ ብምግላጽ \"ነቲ ሓደ ካብ ብሉጻት ተጻወትና ጽቡቕ ንኸይጻወት ክገብሮ እዩ ደልዩ፤ ነዚ ንምግባር ዝመረጾ መገዲ ግን ይቕረ ዘይበሃለሉ እዩ\" ክብል ተዛሪቡ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53386507"} {"headline":"ኣብ ለንደን ምስ እዋን ጊላነት ምትእስሳር ዝነበሮም ሓወልትታት ይእለዩ ኣለው","content":"ኣብ ከተማ ለንደን ኣንጻር ዓሌታውንት ኣብ ዝግብር ዝነበረ ሰለማዊ ስልፊ ኣብ ፊት ቤተ መዘክር ለንደን ኮክላንድ ዝነበረ ሓወልቲ ሮበርት ሚሊጋን፡ ባራዩ ይውንን ነይሩ እዩ ብምባል ከምዝእለ ተገይሩ። ኣቀድም ኣቢሉ ኣብ ከተማ ለንደን ምስ እዋን ጊላነት ምትእስሳር ዘለዎ ኣስማት ጎደናታትን ሓወልትታትን ዳግመ ግመት ክግብረሎም ዝጽውዕ ጥርዓናት ክቐርብ ጸኒሖም'ዮም። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን ኣብ ብሪስቶን ኣንጻር ዓሌታውንት ሰለማዊ ሰልፊ ዝገብሩ ዝነበሩ ሰባት ሓወልቲ ነጋዲ ገላዩ ዝነበረ ኢድዋርድ ኮልስቶን ካብ ቦትኡ ነቂሎሞ እዮም። ሓወልቲ ናይ ሮበርት ሚሊጋን ዝተኣለየሉ ቀንዲ ምኽንያት እውን ድሌት ናይ ሰባት ኣብ ቀዳምነት ብምሃብ ምኳኑ ማሕበር ካናል ኤንድ ሪቨር ትራስት ሓቢሩ። እቲ ሓወልቲ ብሓገዝ ማሽነሪ ካብቲ ተተኺልዎ ዝነበረ ቦታ ክእለ እንከሎ ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ሓጎሶም ገሊጾም። ምምሕዳር ቤተ መዘክር ለንደን ዶክላንድስ ሓወልቲ ናይቲ ኣብ ጀማይካ 526 ገላዩ ዝነበረዎ ብርጣንያዊ ሮበርት ሚሊጋን ኣብ ኣፍደጊኡ ንነዊሕ ዓመታት ተተኺሉ ምንባሩ ምችኡነት ይፈጥረሉ ከምዘይበረ እዩ ዝገልጽ። እቲ ቤተ መዘክር \"እዚ ቤተ መዘክርና እዚ ሓወልቲ ናይቲ ቀደም ንጸዓዱ ናይ ቀዳምነት ቀዳምንት ዝህብ ዝነበረ ስርዓታት ከም መቀጸልትኡ ኮይኑ ነቶም ገና ንመሰሎም ዝቃለሱ ዘለዉ ንድሕሪት መሊሱ ሚሊጋን ዝፈጸሞ ኢሰብኣዊ ተግባራት እዩ ከዘክሮም ጸኒሑ\" ኢሉ። ሓወልቲ ሮቦርት ሚሊጋን ካብ ዝነበሮ ቦታ ክወርድ እንከሎ ተኣከቡ ዝነበረ ህዝቢ ሓጎሱ እንትገልጽ፤ ኣብ ኣፍደገ ኮሌጅ ኦክስፎርድ ዝተኣከቡ ሰባት'ውን ሓወልቲ ናይ ሃጸይ ሰሲል ርሆድስ ካብቲ ተተኺልዎ ዘሎ ቦታ ክወርድ ይጠልቡ ነይሮም። ከሃን ዝተብሃለ ተቐማጢ ከተማ ለንደን \"ከተማ ለንዶን ምስቲ ገለ ምስ እዋን ጊላነት ዝተሓሓዝ ምቹኡነት ዘይፈጥር ሓቂ ትፋጠጥ ኣላ\" ይብል። ከሃን ብምስዓብ \"ከተማ ለንደን ብዝሓነት ዘለዋ ከተማ እያ እንተኾነ ምስዚ ሕጂ ዝተበገሰ ምንቅስቃ 'ብላክ ላይቭ ማተርስ' ኣስማት ጎደናታታ፤ ሓወልትታትን ካልእን ንልዕልና ብርጣናያውያን ዘንጸባርቑ እዮም፡ ንጸለምቲ ሰባት ከም ኣቅሓ ዝሸጡን ዝልውጡን ሓወልቲ ተሰሪሕሎም ክትርኢ እንከለኻ ድማ ካብዚ ዝኸፍእ ነገር የለን\" ይብል። ብምስዓብ \" ሕጂ ምልስ ኢልና ክንርእዮ እንከለና ከተማ ለንዶን ኣብ እዋን ጊላነት ዝነበራ ኣበርክቶ ኢና ክንርዳእ ንኽእል\" ድማ ይብል።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52992973"} {"headline":"ጸለምቲ ኣመሪካውያን፡ ምስጢር እታ ቐጠልያ መጽሓፍ","content":"ኣፍሪቃዊ ኣሜሪካዊ ዶን ሻርሊ ህቡብ ተጻዋታይ ፒያኖን ጃዝን'ዩ ነይሩ። ብ1962 ዓ.ም ንደቡባዊ ክፋል ኣመሪካ ንምድህሳስ ዑደት ጀሚሩ። ቶኒ ሊፕ ዝተባህለ ጻዕዳ ከኣ መራሕ መኪናኡን ዓጃቢኡን ነይሩ። ኣብቲ እዋን ኣብ ዝተፈላላዩ ቦታታት ኣሜሪካ ክቱር ዓሌታዊ ፍልልይ ስለዝነበረ እቶም ብከተማ ማንሃታን ጉዕዞኦም ዝፈለሙ ተጓዓዝቲ፡ ህይወቶም ንምዉሓስ ብሓንቲ ቐጠልያ መጽሓፍ እናተመርሑ ይጓዓዙ ነበሩ። እታ 10 ገጻት ዝሓዘት መጽሓፍ ብ1936 ዓ.ም እያ ተጻሒፋ። ትሕዝቶኣ ከኣንጸለምቲ ዜጋታት ኣሜሪካ ዘአንግዳ ትካላት መዕረፊ ኣጋይሽ፤ ቤት መግብን መስተን ከምኡ'ዉን ካልኦት ወሃብቲ ኣገልግሎታት ዝምርሓሉ መጽሓፍ እያ። ኣብ 1950 ዓመተ ምሕረት ገጻት እታ መጽሓፍ 80 በጺሑ። ኣብ ድራማ ቐጠልያ መጽሓፍ ታሪኽ ጉዕዞ ሻርልን ሊፕን ዳግማይ ምስተዘንተወ እታ መጽሓፍ ኣብ ኦስከር ተሸሊማ። ኣብታ ድራማ ማሀርሻላን ሞርተንሰን ዝተባህሉ ተዋሳእቲ፡ ከም ወቓዒ ፕያኖን መራሒ መኪናን ኮይኖም ተዋሲኦም። ንምንታይ እዮም በታ ቐጠልያ መጽሓፍ ዝምርሑ? ንዝብል ሕቶ! ዓሌታዊ ኣፈላላይ ኣብቲ ቐጠልያ መጽሓፍ ዝተጻሕፈትሉ እዋን፡ ኣብምዕራባዊ ሽነኽ ኣሜሪካ ብጂም ክሮዉ ዝፍለጥ፡ ብዛዕባ ዓሌታዊ ጉዳይ ዝጸደቑ ሕግታት ነይሮም። ብጂም ክሮዉ ናይ ጸለምቲ ሓረስቶት ደርፊታት ዝተወስደ ስም ኢዩ። ኣብ 1860 ሲቪላዊ ኩናት ምስተኻየደ ባርነት ኣቋሪጹ ነይሩ። እንተኾነ ግን፡ ናይ ከባቢ ኣመሓደርትን ግዝኣታትን ኣመሪካ ''ተፈላላሊና ግን ማዕረ'' ዝብል ሕጊ ስለዘጽደቑ፡ ንጸለምትን ጻዓዱን ፈላሊኻን ብፍላይ ድማ ነቶም ኣፍሪቃዉያን ኣሜሪካዉያን ዜጋታት ኣብ ወሰናስን ናይ ሕብረተሰብ ከምዝነብሩ ገይርዎም። ኣብቲ ዓሌታዊ ኣፋላላይ ዝነበረሉ ግዜ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ኣፍሪቃዉያን ኣሜሪካዉያን ኣብ ከቢድ ኩነታት ይርከቡ ነይሮም። ኣፍሪቃዊ ኣሜሪካዊ ጋዜጠኛ ኣልቪን ሆል፡ ብጸዓዹ ዝውነና ትካላት፡ ንጸለምቲ ዜጋታት መራሕቲ መካይን ኣገልግሎት ናይ መካኒክ ይኹን ናይ መዕረፍን ክህቡ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ነይሩ ይብል። ኣብቲ እዋን መገሻ ዝበሃል ንህይወትካ ኣስጋኢ ዝኾነሉ ኩነት'ዩ ነይሩ ዝበለ \"ብጌጋ ናብ ዘይግባእ ከተማን ቤት መስተን ምስ እትኣቱ'' ጸገም እዩ ክብል ንቢቢሲ ራዲዮ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። ሰራሕተኛ ኣገልግሎት ፖስታ ቪክትር ሁጎ ግሪን ብ 1936 ዓመተ ምሕረት ኣብ ከተማ ሃርለም ግዛኣት ኒዉዮርክ ይሰርሕ ነይሩ። ንሱ ንመሳርሕቱ ኣፍሪቃውያን ኣሜሪካዉያን ብዘይ ኣፈላላይ ኣገልግሎት ዝረኽብሉ ቦታታት ይውክሶም ነይሩ። እታ ቐጠልያ መጽሓፍ ብዘይ ስክፍታ ንኣፍሪቃውያን ኣሜሪካዉያን ኣገልግሎት ዝህባ ቤት-መግብን መስተን፥ ሆቴላትን ክትሓቁፍ ብምኽኣል \"ብፍላይ ድማ ንጸለምቲ ዜጋታት ተሳፈርቲ፡ ካብ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ጸገማትን ስክፍታታትን ንምዉጋድ ዝተሓትመት መጽሓፍያ\" ክብል ቪክተር ግርን ይገልጽ። ካብ 1950 ክሳብ 1960 ኣብ ዝነበረ ግዜ እቶም ንነዊሕ መገዲ ዝጓዓዙ ሰባት ከም መጽሓፍ ቅዱስ ክጥቀሙላን ክምርሑላን ከምዝኸኣሉ' ናይ ታሪኽ ምሁር ሱልቫን ሶሪን ብቓላቱ ገሊጹ። ጸለምቲ ኣሜሪካዉያን ኣብቲ እዋን \"ከቢድ ጽልእን ኣካላዊ መጉዳእትን\" ይወርዶም ከም ዝነበረ ድማ ኣልቪን ይገልጽ። \"ኮይኑ ግን እታ ቐጠልያ መጽሓፍ ኣብዛ ሲኦላዊት መሬት ከም መድሕን ኮይና ንሕይወት ብዙሓት ካብ ሓደጋ ኣድሒና'ያ\"። ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ወርሒ ሚያዝያን ግንቦትን ከም እትሕተምን ክሳብ 15000 ቕዳሓት ትሽየጥ ከም ዝነበረትን መጽሔት ስሚዝ ሶነያን ተመልክት። ቪክተር ሆል ግሪን ኣብ 1948 ሕታማ፡ ብዛዕባ እዛ ቀጠልያ መጽሓፍ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ኣብ መጻኢ ምሕታም እዛ መጽሓፍ ኣድላይነት ኣይክህልዎን'ዩ ክብል ብኣወንታ ተዛሪቡ። \"ሽዑ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ፡ ኩላትና ከም ደቒ ሰባት መጠን ማዕረ ዕደላትን ሓለፋን ከህልወና ዩ\" ኢሉ ተዛሩቡ። ግሪን ኣብ 1962 ዓ.ም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። እታ ቐጠልያ መጽሓፍ ድማ ክሳብ 1967 ዓመተ ምሕረት ትሕተም ነይራ። ። ሕታማ ኣሜሪካ ንመጀመርያ ግዜ ሲቪላዊ ሰብኣዎ መሰል ዝብል ዓንቐጽ ተግባራዊ ምስገበረት ጠጠው ኢሉ። እዚ ናይ ዓሌት ኣፈላላይ ብቐጥታ'ዶ ዘቋረጸ ይመስለኩም? ኣለቪን ሆል፡ ቀጠልያ መጽሓፉ ሒዙ ጉዕዝኡ ካብ ከተማ ታላሃሲ፤ ፍሎሪዳ፤ ኣልባማ፤ ሚሲሲፒ፤ ተነሲ ከምኡ'ወን ሚሲሲፕ ጀሚሩ። ንሱ፡ ብዙሓት ዜጋታት ኣፍሪቃዉያን ኣሜሪካዉያን ስግኣት ከም ዘለዎም ከም ዝተዓዘበን፡ ገና ብዙሕ ጸገማት ከም ዘሎን ገሊጹ። ዓሌታዊ ውጥረትን ሻቕሎትን ይቕጽል ከም ዘሎን እዚ ከኣ ብላክ ላይቭስ ማተር ሙቭመንት ዝብል ጎስጓስ \"ንጸረ ጎንጽን ዓሌታዊ ኣፈላላይ\" ንምጥፋእ ዝዓለመ ምንቕስቓስ ፈጢሩ። ኣልቨን '' ኣፍሪቃዉያን ኣሜሪካዉያን ኣብ ጉዕዝኦም ብጥንቓቀ ክጉዓዙ ኣለዎም'' ይብል። እዛ 1967 ሕታማ ዘቋረጸት ቀጠልያ መጽሓፍ ብዙሕ ልቦና ከም ዝነበራ ድሕሪ ምሕባር፡ ክሳብ ሎሚ ኣገዳስነት ከም ዘለዋ የዘንቱ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-47437498"} {"headline":"ዙምባብዌ ንጸዓዱ ሓረስቶት እትክሕሶ መጠን ሰልዲ ተሰማሚዓ","content":"ሃገረ ዙምባብዌ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝነበሩ መሬቶም ብመንግስቲ ዝተመንዝዑ ጸዓዱ ሓረስቶት 3.5 ቢልዮን ዶላር ክተክሕስ ተሰማሚዓ። እታ ሃገር ኣብዚ እዋን ሕጽረት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ስለዘለዋ፡ ነቶም ጸዓዱ ሓረስቶት ኣብ ዝተናወሐ ግዜ ብመልክዕ ‘ቦንድ’ ከምእትኸፍሎም’ውን ኣፍሊጣ ኣላ። ማሕበር ሓረስቶት እታ ሃገር እውን ነቲ ናይ መንግስቲ ሓሳብ ብምቕባል እቲ ካሕሳ ኣብ ክንዲ ብመሬት ዝኸውን ብመሳርሕታት ሕርሻን ንሕርሻ ዘገልግሉ ትሕተ ቅርጽን ክኸውን ተሰማሚዑ ኣሎ። ፕረዚደንት ዙምባብዌ ነበር ሮበርት ሙጋበ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ ን 4500 ጸዓዱ ሓረስቶት መሬቶም ብምምንዛዕ፡ ነቲ መሬት ን 300 ሽሕ ጸለምቲ ሓረስቶት ከምዝዓደሎ ዝዝከር እዩ። በዚ ኣብ 2000 ዝተተግበረ ምምንዛዕ ብጸዓዱ ዝውነኑ ዝነበሩ ተሓረስቲ መሬት ቅርታ ዘለዎም ኣለዉ። ነቲ ኣብ ምዕባይ ዝነበረ ቁጠባ እታ ሃገር ጸሊዩዎ ተባሂሉ'ውን ይንቀፍ እዩ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53590856"} {"headline":"አመሪካ፡ ንሳልሳይ መዓልቲ ቀጺሉ ኣብ ዘሎ ናዕቢ ዊስኮንስን ክልተ ሰባት ብጥይት ተቐቲሎም","content":"ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ዊስኮንስን ከተማ ኬኖሻ ንሳልሳይ መዓልቲ ቀጺሉ ኣብ ዘሎ ናዕቢ ብጥይት ካብ ዝተሃረሙ ሰለስተ ሰባት ክልተ ክሞቱ እንከለው፡ ሓደ ቆሲሉ። ሰልፈኛታት ምስ ዕጡቓት ሓለውቲ ሓደ መዐደሊ ነዳዲ ብምግጫዎም ጎንጺ ከም ዝተልዓለ መራኸቢ ብዙሓን እቲ ከባቢ ጸብጺበን። ብሰንበት ጄኮብ ብሌክ ዝተባህለ ጸሊም ኣሜሪካዊ ካብ ፖሊስ ብዝተተኮሰሉ ጠያይቲ ብጽኑዕ ድሕሪ ምቑሳሉ እዩ ኣብታ ከተማ ናዕቢ ተላዒሉ። ፖሊስ ኬኖሻ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰሉስ ምሸት ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ጸብጻብ ከም ዝበጽሖን ምላሽ ከም ዝሃበን ሓቢሩ። \"በቲ ቶኽሲ ክልተ ሰባት ሞይቶም፡ ሳልሳይ ብጽኑዕ ግናኸ ናብ ሞት ብዘየብጽሕ ዝቖሰለ ሰብ ድማ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ ኣሎ\" ኢሉ። መንነት እቶም ሰባት ጌና ይጻረይ ከም ዘሎ ዝሓበረ እቲ መግለጺ መርመራ ተጀሚሩ ከም ዘሎን ካልእ ዝወሃብ ዝኾነ ተወሳኺ ሓበሬታ ከም ዘየሎን ገሊጹ። ኣዛዚ ፖሊስ እታ ኣውራጃ ዴቪድ በዝ ኣቐዲሙ ንኒውዮርክ ታየምስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ መርመራ ኣብቶም ብረት ሒዞም ኣብ ከባቢ እቲ መዐደሊ ነዳዲ ኣብ ዝነበሩ ሰባት ከተኩር ምዃኑ ተዛሪቡ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ንሓደ ብረት ዝሓዘ ሰብ፡ እኩባት ሰባት ከጓይይዎ ድሕሪ ምጽናሕ ምስ ወደቐ ተደጋጋሚ ጠያይቲ ክቱክሰሎም ከሎ ይርአ። ኣብ ካልእ ቪድዮ ድማ ብረት ዝሓዙ፡ ወትሃደራዊ ልብሲ ዝገበሩ ሰባት ንሓለዋ ምዃኖም እናገለጹ ኣብ ኣፍደገ ትካላት ክተኣኻኸቡ ከለው ይራኣዩ። እቲ ብሓደ ኣባል ፖሊስ ሸውዓተ ግዜ ብጥይት ዝተሃርመ ጸሊም ኣመሪካዊ ዳግም ክንቀሳቐስ \"ተኣምር\" ክድሊ እዩ ክብል ጠበቓ ስድራቤት ጄኮብ ብሌክ ተዛሪቡ። ጠበቓ ስድራ ወዲ 29 ዓመት ጄኮብ ብሌክ፡ ወላ እኳ ጃኮብ ብህይወት እንተተረፈ ዳግም ጠጠው ኢሉ ንክኸይድ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምዃኑ ሓቢሩ። እዚ መንእሰይ ጸሊም ኣመሪካዊ ኣብ ግዝኣት ዊስኮንስን ከተማ ኬኔሾ መኪንኡ ከፊቱ ክኣቱ ክብል ብድሕሪት ፖሊስ ብጥይት ምስ ሃረሞ እዩ ጉድኣት በጺሑዎ። ካብተን ኣብ ዝባኑ ዝተተኮሳ ጠያይቲ እታ ሓንቲ ኣብ ዓንዲ ሑቕኡ ኣትያ ከም ዝተረፈት ይግለጽ'ሎ። በዚ ምኽንያት ኣብ ገለ ከተማታት ኣመሪካ ናዕቢ ዝተላዕለን፡ ኣመሓዳሪ እታ ግዝኣት ናብ ከተማ ኬኔሾ ፍሉይ ሓይሊ ክኣቱ ከምዝኣዘዘን ተገሊጹ። ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ጃኮብ ደጋጊሙ ክትኩስ እንከሎ ኣብ ውሽጢ መኪና ኾይኑ ዝርኢ ዝነበረ ንኡሽቶ ቖልዓ ዝርኣዩ ሰባት ድማ ዝያዳ በቲ ተግባር ክቑጥዑ ምኽንያት ኮይኑ'ሎ። ጃኮብ ብምኽንያት እቲ ካብ ፖሊስ ዝተተኮሰሉ ጠያይቲ ድሕሪ ሕጂ ጠጠው ኢሉ ክኸይድ ከም ዘይኽእል ክግለጽ እንከሎ፡ ብተወሳኺ ኩሊቱን ጸላም ከብዱን ተጎዲኡ'ዩ። ሓካይም መዓናጥኡ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ስለ ዝኾኑ ክእለዩ ኣለዎም ኢሎም ኣለው። ወላዲት ጃኮብ ጁሊያ ጃክሰን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ወዳ \"ንህይወቱ ይቓለስ ኣሎ። ግን ድማ ብምኽንያት እቲ ዝበጽሖ ጉድኣት ካልኦት መናእሰያት ዝምታን ዕንወትን የውርዱ ኣለው ዝብል እንተሰሚዑ ዝሕጎስ ኣይመስለንን\" ኢላ። ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ዝነብሩላ ከተማ ብዝተላዕለ ናዕቢ ብርክት ዝበላ መካይን ተቓጺለን፣ ኣባይቲ'ውን ነዲዶም'ዮም። እዚ ንተኸታተልቲ ክልተ መዓልታት ዝተኻየደ ናዕቢ'ዩ። ኣመሓዳሪ ቶኒ ኤቨርስ ተወሳኺ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ናብ ከተማ ኬኖሻ ከም ዝልእኽ ተዛሪቡ ኣሎ። እዞም ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ፡ ትካላትን ንብረትን መንግስቲ ሓደጋ ከይበጽሖም ክሕልው'ዮም። ኣብ መላእ እታ ግዝኣት ድማ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ተኣዊጁ ኣሎ። ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣብ ሚኒሶታ ብጸዓዱ ፖሊስ ክሳዱ ተሓኒቑ ምስ ሞተ ዓለምለኻዊ ናዕቢ ተላዒሉ ከም ዝነበረ ይዝከር።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53915740"} {"headline":"ጆርጅ ፍሎይድ፡ ምዕባለታት ኣብ ከተማታት ኣሜሪካ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ","content":"ኣመሪካውያን፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ንዝሓለፉ ልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ካብ ገዝኦም ከይወጽኡ'ዮም ኣሕሊፎምዎ። ቑጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት መዓልታዊ ይውስኽ ስለ ዝነበረ'ውን፡ ንብርክት ዝበሉ ኣመሓደርቲ ግዝኣታት ኣሜሪካ ዓብዪ ፈተና ኮይኑ ምስ መንግስቲ ፌደራል ከጨቓጭቖም ጀሚሩ ነይሩ። እዚ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ልዕሊ 36 ሚሊዮን ዜጋታት እታ ሃገር ሸቕሊ ኣልቦ ኮይኖም። ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ኣስራሕቲ ትካላት ልዕሊ 20 ሚሊዮን ሰባት ካብ ስራሕ ብምንካዮም መጠን ሸቕሊ ኣልቦነት እታ ሃገር ናብ 14.7 ሚኢታዊት ሓፍ ክብል ክኢሉ። እዚ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዝመጽአ ጸገም፡ ንቑጠባ እታ ሃገር'ውን ስለ ዝተንከፎ፡ ፕሬዝደንት ትራምፕ፡ ቑጠባዊ ምንቕቓሕ ንክፍጠር ካብ ዕጽዋን ካልእ እገዳታትን ክትወጽእ ኣለዋ ክብል ጀሚሩ። ቅድሚ ሸሞንተ መዓልቲ ግን፡ ኩነታት እታ ሃገር ካልእ መልክዕ ሒዙ። ብ25 ግንቦት 2020፡ ኣብ ግዝኣት ሚኒሶታ ከተማ ሚኒያፖሊስ ሓደ ጸሊም ኣሜሪካዊ ብፖሊስ ከም ዝተቐትለ ምስ ተሰምዐ፡ እቲ ገዝኡ ዓጺዩ ዝነበረ ኩሉ ናብ ኣደባባያት ብምውጻእ ተቓውሞ ከስምዕ ጀሚሩ። ብዙሓት ከተማታት ኣሜሪካ፡ ድሕሪ ሞት ወዲ 46 ዓመት ጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ዝተልዓለ ናዕቢ ካብ ቁጽጽረን ወጻእ ክኸውን ስለ ዝጀመረ ኣዋጅ እቶ እቶ'ኳ እንተኣወጃ፡ ክመልስኦ ኣይክኣላን። እቲ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ዝበጽሕ በደል ንምቁዋም ዝወጽአ ህዝቢ'ውን፡ ብቲ ስግኣት ዓለም ዝኾነ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኮነ መንግስታት ዝወስዱዎ ስጉምቲ፡ ክግታእ ኣይክኣለን። ኣብ ኣደባባያት ኣሜሪካ ወጺኦም ዘለው ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ድማ፡ ተሓታትነት እዮም ዝጠልቡ ዘለው ክትብል ኣባል መስረትቲ ምንቅስቓስ 'ብላክ ላይቭስ ማተር' ፓትሪስ ኩሎርስ ተዛሪባ። ኩሉ ሰብ ይቕሬታ ክሕተት፣ ዝፈጸሞ ስሕተት ክንገሮ፣ ድሕሪ ሕዚ ኣይንደግሞን ክብሃል እዩ ዝጽበ ዘሎ ኢላ። ብምኽንያት እዚ፡ ብርክት ዝበሉ ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን ጉድኣት ይበጽሖም ከም ዘሎ ይግለጽ። ትማሊ፡ ሓደ ጸሊም ኣሜሪካዊ መኮንን ፖሊስ ኣብ ሴንት ሉዊስ ከተማ ሚዙሪ ብጥይት ተቐቲሉ። ወዲ 77 ዓመት ዴቪድ ዶርን፡ ትማሊ ኣብ እግሪ ዝተዘምተ ድኳን እዩ ሞይቱ ተረኺቡ። ብ2007 ካብ ፖሊስ ሴንት ሉዊስ ነበር ዴቪድ፡ ኣብ ንኡሽቶ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ እታ ከተማ እዩ ክሰርሕ ጸኒሑ። ፖሊስ ከም ዝበሎ ድማ፡ ክሳብ ሕጂ ጥርጡራት ኣይተትሓዙን። ትማሊ፡ ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣመሓደርቲ ግዝኣታትን ከተማታት ኣሜሪካ ነቲ ዝተልዓለ ተቓውሞ ከህድእኦ እንተዘይክኢለን፡ 'ወተሃደራት ልኢኸ ሕግን ስርዓትን ክኽበር ክገብር'የ' ኢሉ ነይሩ። ፔንታጎን ከም ዝሓበሮ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣስታት 1600 ወተሃደራት ኣብ ከባቢ ዋሽንግተን ዲሲ ክዋፈሩ ተገይሩ። ጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ፡ ኣብ ከተማ ሚኒያፖሊስ ብኢድ ፖሊስ ምስ ሞተ ዝተላዕለ ናዕብን ተቓውሞ፡ ንሻምናይ መዓልቱ ቐጺሉ ኣሎ። ኣስታት 40 ከተማታት ኣሜሪካ፡ ተሪር ኣዋጅ እቶ እቶ እኳ እንተኣወጃ፡ ነዚ ኣቓልቦ ገይሩ ዘኽበሮ ግን የለን። ምምሕዳር ከተማ ሚኒያፖሊስ ብወገኑ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ቕትለት ዝፈጸመ ፖሊስ ክሲ ሲቪላዊ መሰላት ኣዳልዩ ኣሎ። ኣመሓዳሪ ቲም ዋልዝ፡ \"እዚ ንወለዶታት ዝሰረጸ ዓᎁቕ ስልታዊ ዘርኣውነት\" ንምውጋድ ዝዓለመ እዩ ክብል ገሊጹዎ። ቦርድ ኣብያተ ትምህርቲ ሚኒያፖሊስ'ውን፡ ምስ ምምሕዳር ፖሊስ ሚኒያፖሊስ ዝነበሮ ኮንትራት ወይ ውዕሊ ክስረስ ወሲኑ። ኣብ ዘመነ ትምህርቲ እቲ ዝመጽእ ዓመት፡ ክህልዎ ብዛዕባ ዝኽእል ናይ ፖሊስ ድማ ትልሚ የውጽእ ከም ዘሎ ገሊጹ። \"ስልጣንና ተጠቒምና እዚ ናይ ጭቆና ስርዓት ጠጠው ከነብሎ ስጉምቲ ክንወስድ ኣለና\" ዝበለ ኣቦ መንበር እቲ ቦርድ ኪም ኤሊሰን እዩ። ኣብ ጥቓ መንበሪ ከንቲባ ሎስ ኣንጅለስ ኤሪክ ግሬስቲ ዝተኣከቡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዓመጽቲ'ውን ነይሮም። \"ንፖሊስ ዝወሃብ በጀት ደው\" ክብልን ኣዛዚ ፖሊስ እታ ከተማ ሚካኤል ሞር ካብ ስርሑ ክሶጎን ድማ ይጭርሑ ነይሮም። ፖሊስ ሞር፡ ብሰኑይ እቶም ድኳናትን ትካላትን ዝሰርቁን ዘዕንውን ዘለው ብሞት ጆርጅ ፍሎይድ ማዕረ ተሓተትቲ እዮም ብምባሉ፡ ሓያል ተቓውሞ ገጢሙዎ። ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ ነቲ ብምኽንያት ሞት ጆርጅ ፍሎይድ ዝሰዓበ ተቓውሞ ዝምልከት ዝሃብኩዎ ርኢይቶ ጌጋ ስለ ዝኾነ ይቕሬታ ይሓትት ኢሉ። ኣብ ኒውዮርክ ድማ፡ ትማሊ ምሸት ናብ እኩባት ፖሊስ መኪና መሪሓ ጉድኣት ዘብጽሐት ሰበይቲ ድማ ተኸሲሳ። ጓል 31 ዓመት ዲያና ዴቪስ ንሰለስተ ፖሊስ ብመኪና ገጭያ ክተቑስል ከላ፡ ፖሊስ ኒውዮርክ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ፈተነ ቕትለት ብምፍጻምን ካልኣይ ዲግሪ ገበን ኣጽዋርን ዝብል ክሲ ከም ዝቐረበላ ሓቢሩ። ማዕኸን ዜና ኤኤፍፒ፡ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ናዕቢ ዝርግሐ ኣብታ ሃገር ዝተኸሰተ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከይወስዶ ከም ዝስጋእ ይጠቅስ። ኣብ ጎደናታት ከተማታት ኣሜሪካ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከይገበሩ ዝወጽኡ ብዙሓት ስለ ዝኾኑ፡ እዚ ሓድሽ ቑጽሪ መልከፍቲ ከይውስኽ ስግኣት ኮይኑ ኣሎ። ኣሜሪካዊ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ኣሜን ኦግቦንግቢምጋ ኣብ ቱልሳ ኣብ ዝነበረ ተቓውሞ ድሕሪ ምስታፉ፡ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ እዩ። ዋላ'ውን ጥንቃቐ ገይሩ ኣብቲ ተቓውሞ እንተተሳተፈ በቲ ቫይረስ ክልከፍ ከም ዝኸኣለ ዝገለጸ እቲ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ፡ \"ናብዚ ቦታ ትኸዱ እንተሃሊኹም፡ በጃኹም ጥንቃቐ ግበሩ\" ክብል ብትዊተር ጽሒፉ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ኣሜሪካ 1.8 ሚሊዮን በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ክህልው እንከለው፡ ልዕሊ 106 ሽሕ ሰባት ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ሞይቶም። ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ድማ፡ ንኣመሓዳሪ ኒውዮርክ ኣንድሪው ኩሞ ነቒፉ። ፕሬዝደንት ትራምፕ ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ \"ኣብ ኒውዮርክ ዕግርግር፣ ስርዓት ኣልቦነትን ዕንወትን ይፍጸም ኣሎ\" ኢሉ። ኣስዒቡ፡ \"መዓዝ እዩ ኣመሓዳሪ ኩሞ ካብ መንግስቲ ፌደራል ሓገዝ ክሓትት? ኒውዮርክ ካብ ቑጽጽር ወጻኢ እያ ኾይና ዘላ\" ብምባል፡ እቲ ኣመሓዳሪ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ጸጥታ ክረጋጋእ ክገብሮ ኣተሓሳሲቡ። ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕን ኣመሓዳሪ ኒውዮርክ ኣንድሪው ኩሞን፡ ብፍላይ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብታ ሃገር ምስ ኣተወ ክሰማምዑ ዘይክኣሉ ሰባት ኮይኖም'ዮም። ኒውዮርክ፡ እታ ኣብ ኣሜሪካ ልዑል ቑጽሪ መልከፍትን ሞትን ዘጋጠማ ኮይና፡ ኣብቲ እዋን ብዘጋጠማ ሕጽረት መሐገዚ መተንፈሲ መሳርሒ መንግስቲ ፌደራል እኹል ቐረብ ኣየቕረበን ብዝብል፡ ኣንድሪው ኩሞ ንትራምፕ ይነቅፍ ነይሩ። ሕጂ'ውን፡ ፕሬዝደንት ትራምፕ ንተቓውሞ ኣሜሪካውያን ዝምልከት ብዝህቦም ዘለው ርኢይቶታት ሕጉስ ኣይኮነን። ብሰኑይ ድማ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣሜሪካ እቲ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ንዝካየድ ዘሎ ተቓውሞን ናዕብን ንምብታን፡ ሄሊኮፕተር ከም ዝተጠቐሙ ይግለጽ። ኣብታ ከተማ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰልፈኛታት ዝኾላ ሄሊኮፕተራት ክርኣያ ከለዋ፡ ነዚ ምጽራይ ከም ዝጀመረ ፍሉይ ሓይሊ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ። ማዕኸን ዜና ኣሜሪካ ከም ዝጸብጸቦ ድማ፡ ኣብ እዋን ዓበይቲ ተቓውሞታት ሄሊኮፕተር ምጥቃም እቶም ተቓወምቲ ክፈርሑን ዕግርግር ጠጠው ከብሉን ዝውሰድ ልሙድ ወተሃደራዊ ሜላ እዩ ኢሉ። ብሰሉስ፡ ፍሉይ ሓይሊ ኮሎምቢያ ኣብ ትዊተር ከም ዝሓበሮ ድማ፡ እዚ ጉዳይ ክጻረ ጀሚሩ ኣሎ። \"ናይ ዜጋታት ድሕነትን ናይ ምቅዋም መሰሎምን ንምሕላው ውፉያት ኢና። ነዚ ንዝሕግዙ ኣባላትና ድማ ድሕነቶም ምሕላው ቐዳምነት እንህቦ ጉዳይ'ዩ\" ኢሉ። ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ገለ ተቓውሞ ዝካየደለን ዘሎ ከተማታት ኣሜሪካ ኣባላት ፖሊስ ንሕቶ እቶም ዓመጽቲ ደጊፎም ተንበርኪኸም ዘለዎም ድጋፍ ገሊጾም። ኣብ ሎስ ኣንጅለስ፡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ከምዚ ብምግባሮም፡ እቶም ተቓወምቲ ክሳብ መወዳእታ ኣብ ጎኖም ክኾኑ ይሓቱ ነይሮም። ኣብ ኣዮዋን ጆርጂያን'ውን ብተመሳሳሊ ፖሊስ ተንበርኪኾም ሓድነቶም ገሊጾም።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52902237"} {"headline":"ኣሜሪካዊ ራፐርን ኮኾብ ተዋሳእን ሉዳ ክሪስ ዜግነት ጋቦን ረኺቡ","content":"ኣፍሪቃ-ኣሜሪካዊ ራፐርን ተዋስኣይን ሉዳ ክሪስ ሓደ ካብቶም ዜግነት ኣፍሪቃዊ ሃገራት ዝወሰዱ ፍሉጣት ኣሜሪካውያን ኮይኑ'ሎ። ሉዳ ትኽክለኛ ስሙ ክሪስቶፈር ብሪያን ብሪጅስ'ዩ። በዓል ልደት ኣብ ዘሕለፈላ ጋቦን ዜግነት ተዋሂብዎ'ሎ። በዓልቲ ቤቱ ኢዩዶክሴ ቦጒንጊ ጋቦናዊት እያ። ንሱ ብትዊተሩ ኣብ ዝዘርግሖ ሓጺር ቪድዮ፡ ፓስፖርት ጋቦን ሒዙ ይረኣይ። ኣዲኡን ክልተ ኣጓላት ደቁን እውን ዜግነት ናይታ ሃብቲ ነዳዲ ዘለዋ ንእሽቶ ኣፍሪቃዊት ሃገር ከምዝረኸባ ኣረጋጊጹ። ኣብ ቀረባ ዓመታት ብዙሓት ኣፍሪቃ-ኣሜሪካውያን ፍሉጣት ሰባት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዜግነት ረኺቦም'ዮም። ካልኦት ብዙሓት ድማ ናብታ መበቆሎም ናብ ዝኾነት ኣፍሪቃ ገይሾም። ኣብ ወርሒ ሓምለ 2019 ኮኾብ ተዋስኣይን ኣሰናዳእን ሳሙኤል ኤል ጃክሰን፡ ፓስፖርት ጋቦን ሒዚ ምምላሱ ይዝከር። ንኣፍሪቃ ኣሜሪካውያን ተቐቢላ ዘተኣናገደት ሃገር ጋቦን ጥራይ ኣይኮነትን። ካልኦት ሃገራት'ውን ንዝመጽእወን ኣጋይሽ ተቐቢለን ዜግነት ብምሃብ ኣፋንየን'የን። ኣብ ወርሒ ግንቦት 2019 ናብ ኤርትራ መገሻ ዝገበረት ተዋዛይት [ኮሜድያን]ን ተዋሳኢትን ቲፋኒ ሓድሽ'ውን ናይታ ሃገር ዜግነት ረኺባ እያ። ነቲ ገባርን ሓዳግን መንግስቲ ብዘርኣየቶ ደገፍ ሕጉሳት ዘይኮኑ ሰባት ድማ ነቒፎምዋ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ከኣ ጋና ኣብ ዘዳለወቶ ዓብዪ ጽምብል፡ 126 ኣፍሪቃ-ኣሜሪካውያንን ኣፍሮ ካሪብያውያንን ናይታ ሃገር ዜግነት ረኺቦም። ዝለዓለ መረዳእታ ወይ ዳታ ዲኤንኤ [ኣሰር ዘርኢ] ኣፍሪቃውያን ዝሓዘ ሓደ ኣሜሪካዊ ትካል ከምዝሕብሮ፡ ብዙሓት ኣፍሪቃ-ኣሜሪካውያን መበቆሎምን ታሪኽ ቤተሰቦምን ንምፍላጥ ዝለዓለ ድልየት ኣለዎም። ኣስታት 12.5 ሚልዮን ኣፍሪቃውያን ብንግዲ ባርነት ናብ ኣሜሪካ ኣብ ዝተወሰዱሉ እዋን፡ ዝበዝሑ ባሮት ኣብ ውሽጢ 400 ዓመታት መንነቶም እናጠፍአ ከይዱ፤ ታሪኾም'ውን ተደምሲሱ። \"ኣያታትና\/ኣዴታትና ብእምነቶም ተስፋ ኣይቀብጹን ነይሮም። ንሕልናናን መንፈስናን ፈጺምኩም ክትኣስሩ ኣይትኽእሉን። ናብዚ ንኽምለስ ኣተባቢዖምኒ'ዮም\" ክብል ሉዳ ክሪስ ኣብ ኢንስታግራም ጽሒፉ። ሳሙኤል ኤል ጃክሰን ዜግነት ጋቦን ክረክብ ዝኸኣለ፡ መቦቆል ፍሉጣት ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ንምርካብ ኣብ ዝተዳለወ ሰነዳዊ ፊልሚ ብዝተገበረሉ ምርመራ ዲኤንኤ፡ ጋቦናዊ መቦቆል ከምዘለዎ ምስተረጋገጸ እዩ። ውጽኢት ምርመርኡ፡ ኣብ ጋቦን ናይ ዘሎ ቤንጋ ዝተበሃለ ዓሌት መቦቆል ከምዘለዎ እዩ ኣረጋጊጽሉ። እዚ ኣሜሪካዊ ኮኾብ ተዋስኣይ፡ ምስ ንጉስ ህዝቢ ቤንጋ ኮይኑን ካልኦትን ኣብታ ሃገር ዝተስኣሎም ስእልታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጠቂዑ። መንግስቲ ጋና ብወገኑ፡ ኣፍሪቃ-ኣሜሪካውያንን ጸለምቲ ዲያስፖራን ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ንምትብባዕ 'ዓመተ ምልሰት' [The year of Return] ብዝብል ዓመታዊ ጽምብል ከዳልው ጀሚሩ'ሎ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51017230"} {"headline":"ካብ ሃዋሳ ናብ ካልኦት ከባብታት ሲዳማ ዝላባዕ ዘሎ ናዕቢ","content":"ትማሊ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ኣጋጢሙ ዝነበረ ናዕቢ፡ ኣብቂዑ፡ ሎሚመዓልቲ ኣብታ ከተማ ኣንፃራዊ ሰላም ከምዝሰፈነ፡ ዘዘራረብናዮም ነበርቲ እታ ከተማን ሽማግለታት ዓድን ገሊፆም። ሕዚ'ውን ኣብታ ከተማ ዋላ'ኳ ስግኣት ፀጥታ እንተሃለወ፡ ሎሚ መዓልቲ ግና ገለ ትካላት ንግዲ ከምዝተኸፈቱን ዝተወሰና ባጃጃት ድማ ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ ከምዝተርኣያን ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም። ካብ ትማሊ ኣትሒዙ ዝተቛረፀ ኣገልግሎት ኢንተርኔት እታ ከተማ ሎሚ'ውን ቀፂሉ ኣሎ፤ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ዋይፋይ እውን ኣብታ ከተማ ካብ ዝርከባ ሆቴላት ኣረጋጊፅና። ምስቲ ዝነበረ ናዕቢ ተተሓሒዙ ቁፅሮም ብንፁር ዘይተፈለጡ ሰባት፡ ብኣካላት ፀጥታ ከምዝተኣሰሩ ስሞም ንከይግለፅ ዝሓተቱ ኣባል ፖሊስ እታ ከተማ፣ ሽማግለ ዓድን ነበርትን እታ ከተማ ኣረጋጊፆም። ትማሊ ዝተኣሰሩ መናእሰይ ንከፍትሑ ኣብ ጣብያ ፖሊስ ከምዝርከቡ ዝሓበሩልና ሓደ ሽማግለ ዓዲ፡ ትማሊ ኣብታ ከተማ ዝነበረ ሃዋህው፡ ምስ ሎሚመዓልቲ እንትነፃፀር፡ እታ ከተማ ኣንፃራዊ ሰላም ከምዝዓሰላ ኣረጋጊፆም። ንዝተፈጠረ ፀገም ንምቁፅፃር ካብ ካልእ እዋን ብዝተፈለየ ኣብታ ከተማ ዝተዋፈረ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል፣ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገርን ኣባላት ፖሊስን ኣብታ ከተማ ብብዝሒ ከምዝርከቡ ዝገለፁ እቶም ነበርቲ፡ ሕዚ እውን ኣብታ ከተማ ወጥሪ ከምዘሎ ኣይከሓዱን። እዚ ኣጋጣሚ ካብታ ከተማ ሓሊፉ ኣብ ካልኦት ከባብታት እውን ጉድኣት ኣስዒቡ እዩ። ካብ ሞንጎ እዚኦም ድማ፡ ኣብ ከባብታት ይርጋለም፣ ኣለታወንዶ፣ በንሳን ለኩን ፀገም ከምዝነበረ ተዛሪቦም። ኣብ ኣለታወንዶ ንነዊሕ ዓመታት ብስራሕቲ ንግዲ ይመሓደሩ ዝነበሩ ሓደ ነባሪ፡ ብዛዕባ እቲ ትማሊ ኣብታ ከተማ ዝነበረ ኩነታት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ \"ኣብ ኣላታወንዶ ዝተፈፀመ ኣይኮነን'ዶ ተዘሪቡ፡ ብቪድዮ እንተተትርእዮ እውን ኣይትኣምኖን\" ይብሉ። ኣብ ኣለታወንዶ ብልሙድ ዓረብ ተብሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ዝርከቡ መሸጢ ብትን ጨርቅታትን ታይዋንን መናሃርያን ኣብ ዝበሃሉ ከባብታት ዝርከቡ ሹቓት እውን ንብረትታት ከምዘዓነዉ ተዛሪቦም። ካብ ጎረባብቲ ቀበሌታት ዝመፅኡ መናእሰይ ምስ ውሱናት መናእሰይ እታ ከተማ ብምዃን፡ ስም ዝርዝር ነጋዶ ብምሓዝ፡ ኣብ ገዝኦምን ናይ ንግዲ ቦትኦምን ጥቕዓት ፈፂሞም ኢሎም። ዝሞተ ወይ ዝቖሰለ ሰብ ምህላዉ ከምዘይፈልጡ ዝሓበሩ እቶም ነባሪ፡ ካብ ካልእ ከባቢ ኣብ ናይ ዝመፅኡ ሕድሕድ ነጋዶ መንበሪ ገዛን ናይ ንግዲ ቦታን ብምእታው፡ ንብረቶምን ገንዘቦምን እንትቃፀል ከምዝረኣዩ ሓቢሮም። እቶም መናእሰይ ንብረት ካብ ምቅፃል ወፃኢ ከምዘይዘመቱ ብምግላፅ፡ ኣብታ ከተማ ፍሉጣት ኣብ ዝኾኑ ናይ ንግዲ ቦታታት ጉድኣት ከምዝበፅሕ ኣብሪሆም። መናእሰይ እታ ከተማ ካብ ረፋድ ሰዓት ኣርባዕተ ጀሚሮም ንብረት ምዕናው ከምዝጀመሩ ዝተዛረቡ እቶም ነባሪ፡ ምሉእ መዓልቲ ፖሊስ እታ ከተማ ከምዘይሓገዞም ብመረረት ገሊፆም። ምሸት ተኹሲ ከምዝነበረን፡ ምስወግሐ ግና ፖሊስ ፌደራልን ሰራዊት ምክልኻልን ናብታ ከተማ ምእታዉ፤ ምንቅስቓስ እታ ከተማ ድማ ምሉእ ብምሉእ ከምዝተዓገተን ብምግላፅ፡ ፖሊስ እታ ከተማ እናተዘዋወሩ ሰባት ካብ ገዝኦም ንከይወፅኡ የጠንቅቕ ከምዘሎ ተዛሪቦም። ሓላፊ ቤት-ማዘጋጃ ኣለታወንዶ ኣይተ ፍሬው ኣለሙ እውን፡ ትማሊ ኣብታ ከተማ ዘይምርግጋዕ ኣጋጢሙ ከምዝነበረ ንቢቢሲ ብምርግጋፅ፡ ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት ከምዘይበፅሐ፡ ሎሚመዓልቲ ድማ ኣብታ ከተማ ኣንፃራዊ ሰላም ሰፊኑ እዩ ኢሎም። ካልእ ነባሪ ከተማ ይርጋለም ድማ፡ እታ ከተማ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ሰላም ከምዝረሓቓ ተዛሪቦም። \" ትማሊ ካብ ሰዓት ኣርባዕተ ጀሚሩ፡ ነገራት ቀስብቐስ እናተለወጡ መፂኦም፤ ሰባት ተወቒዖም እዮም፤ ዝተሰረቑን ዝተቓፀሉን ኣባይቲ ኣለዉ። ክልተ ናይ ምምሕዳር መኻይንን ሓደ ፋብሪካ ሕሩጭን ተቓፂሎም እዮም\" ኢሎም። ኣብ ከተማ ይርጋለም ሓላፊ ቤት-ፅሕፈት ገዛኢ ውድብ (ሰልፊ) ደኢህዴን ኣይተ ባጢሶ ባቲሶ ብወገኖም፡ ትማሊ ኣብታ ከተማ ወጥሪ ከምዝነበረ ኣሚኖም። ነዚ ስዒቡ ድማ ኣራዳ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ናይ ሸውዓተ ውልቀሰባት መንበሪ ኣባይቲ፣ ኣብ ካልእ ከባቢ ድማ ሰለስተ ኣባይቲ፣ ፋቭሪካ ሕሩጭ፣ ናይ ከንቲባን ናይቲ ውድብ ን መኻይን፣ ናይ ትካል ገባሪ ሰናይ መኪና፣ ናይ ኣረጋሽ ሎጅ ሰለስተ መኻይን ከምዝተቓፀለ ተዛሪቦም። ካልእ ዘዘራረብናዮ ነባሪ ድማ፡ ዋላ እኳ ሎሚመዓልቲ ናዕቢ እንተዘየለ፡ እቲ ወጥሪ ግን ከምዘይሃድአን ኣብታ ከተማ ሰራዊት ምክልኻል ከምዝርከብን ገሊፁ። ኣብታ ከተማ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ከምዝተቛረፀን፡ ትካላት ንግዲ'ውን ከምዝተዓፀዉን ብምሕባር፡ \"ባንክታትን ኣብያተ-ፅሕፈት መንግስትን\" ከምዝተዓፀዉ ተዛሪቡ። ትማሊ ኣብ ዝነበረ ተቓውሞ ህይወት ሓደ ሰብ ከምዝሓለፈን፡ ክልተ ሰባት ምቑሳሎም ከምዝሰምዐን ድማ እቲ ነባሪ ሓቢሩ። እቲ ዝሞተ ሰብ ኣካል እቲ ተቓውሞ ከምዘይነበረን፡ ንንግዲ ካብ ገጠር ናብ ከተማ ዝኸደ ሰብ ከምዝኾነ ወሲኹ ሓቢሩ። ንዓመታት እናተንከባለለ ዝመፅአ ሕቶ ክልል ምዃን ዞባ ሲዳማ፡ 11 ሓምለ 2011 ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ መልሲ ክረክብ እዩ ዝብል ትፅቢት ነይሩ። ሽማግለታት ዓዲ ምስ መንግስቲ ኣብ ዝዝትይሉን እዋን፡ ቦርድ መረፃ እታ ሃገር፣ ፕረዚደንት እታ ክልልን ምምሕዳር እታ ዞባን ኣብ መወዳእታ ዝሃብዎ መግለፂ፡ ነቲ ዘጋጠመ ምስሕሓብን ጎንፅን መንቀሊ ከምዝኾነ እቲ ነባሪ ገሊፁ። ትማሊ፡ \"ሕገ-መንግስታዊ መሰልና ይከበር፣ መንግስቲ ንሕቶና መልሲ ይሃብ\" ዝብሉ ጭርሖታት ካብ ሰልፈኛታት ከምዝተሰምዑ እውን ተዛሪቡ። ሓላፊ እቲ ውድብ (ሰልፊ)፡ ኣብቲ ጎንፂ ካብ ገጠር ዝመፅአ ሓደ ውልቀሰብ፡ ካብ ኣካላት ፀጥታ ብዝተተኮሰ ጥይት ከምዝሞተ ብምርግጋፅ፡ ሬሳ መዋቲ ናብ ከባቢኡ ከምዝተሰነየ ኣሚኖም። ኣይተ ባጢሶ፡ ንብረቶም ዝተቓፀሎም ካብ ካልእ ከበባቢ ዝመፅኡ ሰባት እዮም ንዝብል መልሲ እንትህቡ ድማ፡ ገዝኦም ዝተቓፀሎም ሰባት ግና ሕቶ ክልልና ንከይምለስ ዝገበሩ ሰባት እዮም ዝብሉ ሰባት ምህላዎም ምስመዖም ገሊፆም። መሪፆም ከምዘቃፀሉ እውን ተዛሪቦም። ካብ ትማሊ ምሸት ጀሚሩ፡ ተወሳኺ ሓይሊ ምክልኻል ከምዝኣተዉ ዝተዛረቡ እቶም ሓላፊ፡ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ መናእሰይ ምህላዎም ከምዘይፈልጡ ሓቢሮም። ካብ ሃዋሳ ክሳብ ዲላ ከምኡ እውን፡ ክሳብ ኣለታወንዶ ዝወስድ መገዲ ስለዝተዓፀወ፡ ሰራዊት ምክልኻል ክንቀሳቐስ ከምዘይኸኣለ ድማ ነበርቲ ገሊፆም። ሓላፊ እቲ ውድብ እውን መገድታት ከምዝተዓፀዉ ኣይሓብኡን። \"ይርጋኣለም ሎሚዓልቲ ኣብ ኣንፃራዊ ሰላም እያ\" ዝበሉ እቶም ሓላፊ፡ ካብ ገጠር ናብ ከተማታት ዝግበሩ ምንቅስቓሳት፡ ምስ ሰራዊት ምክልኻልን ኣማሓደርቲ ቀበሌን ብምዝርራብ ንግዚኡ ከምዝተዓገቱ ገሊፆም። ብሓፈሻ ኣብ ዞባ ሲዳማ፡ ብዛዕባ ዘሎ ሃዋህው፡ ዝርዝር ሓበሬታ ንምርካብ ዝደወልናሎም ዝምልከቶም ኣካላት ፀጥታ፡ ብሰንኪ ምድርራብ ስራሕ፡ ንሕቶና መልሲ ክህቡ ከምዘይኽእሉ ገሊፆምልና። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ብዘጋጠመ ናዕቢ፡ መጠን ብዕሊ ዘይተፈለጠ ንብረት ከምዝዓነወ፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርትን ሰበስልጣን እቲ ከባብን ኣረጋጊፆምልና እዮም። ኣብ ልዕሊ ሰብ ብዛዕባ ዘጋጠመ ጉድኣት ኣመልኪቱ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝግለፅ ኣሃዝ መወትቲ እኳ እንተሃለወ፡ ንምርግጋፅ ግን ከቢድ ኮይኑ ኣሎ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49048032"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ \"እዚ መንግስቲ ኣይውክለናን ንዝብሉ፡ ምርጫ መልሲ ክህብ እዩ\"","content":"ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ከተማ ባህርዳርን ኣዲስ ኣበባን ላዕለዎት ኣመራርሓን ጀነራላትን ምቕታሎም፡ \"እታ ሃገር ዘላትሉ ፀገም ኣርእዩ እዩ\" ክብሉ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ንቢቢሲ ገሊፆም። ህዝቢ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ቅሬታ እንተድኣ ሃልይዎ፣ መንግስቲ ይብድለኒ ኣሎ ወይ የገልግለኒ የለን ኢሉ እንተድኣ ኣሚኑ፡ ከምኡ'ውን ኣብታ ሃገር ዓበይቲ ክፍተታት እንተልዮም፡ ዕልዋ መንግስቲ ንምፍፃም ዝንቀሳቐስ ሓይሊ ክህሉ ከምዝኽእል ፕሮፌሰር መረራ የብርሁ። እዞም ዝተገልፁ ፀገማት ስዒቡ ድማ፡ ንህዝቢ ብሓይሊ መልሲ ክህብ እየ ዝብል ጉጅለ እንተልዩ፡ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ክገብር ይኽእል እዩ ይብሉ። ናይ ህዝቢ ሕቶ ብዕልዋ መንግስቲ ክንምልስ ንኽእል ኢና ኢሎም ዝለዓሉ ሓይልታት፡ ነቲ ዝወስድዎ ስጉምቲ እኹል ምኽንያት ኣለዎም'ዶ የብሎምን? ዝብል ሕቶ ክምልስዎ ዝኽእሉ ድማ፡ ባዕሎም እቶም ሓይልታት ከም ዝኾኑ ይገልፁ። \"ብሓፈሻ እቲ ዝተፈፀመ ተግባር ኣብታ ሃገር ፀገም ከምዘሎ እዩ ዘርእየና\" ዝበሉ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና፡ ከምዚ ዓይነት ተግባር ከቢድ ጉድኣት ከስዕብ ከም ዝኽእል የጠንቅቑ። መረፃ (ምርጫ) ከም ኣማራፂ መረፃ ተመሳሳልቲ ፀገማት ፍታሕ ካብ ሞንጎ ዝህቡ መገድታት ከም ዝኾነ ዝዛረቡ ፕሮፌሰር መረራ፡ \"እዚ መንግስቲ ኣይውክለናን ንዝብሉ ወገናት፡ መረፃ መልሲ ክህብ እዩ፤ ስለዚ እቲ መፍትሒ መረፃ ምክያድ እዩ\" ኢሎም። ኣብ ቀፃሊ ዓመት ንኽካየድ ቆፀሮ ዝተተሓዘሉ ሃገራዊ መረፃ፡ ይናዋሕ'ዶ ይካየድ? ዝብል ሓሳብ፡ ኣብ ሞንጎ ፖለቲካዊ ውድባት (ሰልፍታት) ኣፈላላይ ናይ ሓሳብ ፈጢሩ ኣሎ። ገሊኦም፡ እቲ መረፃ ኣብ ዝተታሕዘሉ ግዘ ክካየድ ይግባእ ዝብሉ እንትኾኑ፡ ካልኦቶም ድማ ኣብታ ሃገር ስግኣት ሰላምን ድሕንነትን እንከሎ መረፃ ምክያድ ግቡእ ኣይኮነን ይብሉ። ስግኣት ድሕንነት እናሃለወ መረፃ ክካየድ የብሉን ዝብሉ ወገናት፡ \"ነቲ ህዝቢ መን የረጋግኣዮ? ስራሕቲ'ኸ መን ይፈፅም? ንዝብሉ ሕቶታት መልሲ የብሎምን\" ኢሎም ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና። \"ህዝቢ ብምርግጋእ፡ ናብ መረፃ ንኸደሉ መገዲ ስርዓት ምትሓዝ'ምበር፡ ፕሮፖጋንዳ ምንዛሕ ጥራሕ መፍትሒ ኣይኸውንን\" ኢሎም። \"ኣብ ባይታ ኣሎ ዝበልዎ ፀገም መን ከስተኻኽለሎም እዮም ዝፅበዩ?\" ብምባል ድማ ፕሮፌሰር መረራ ሓቲቶም። መንግስቲ ከም መንግስቲ ካብኡ ትፅቢት ዝግበር ኩሉ ክፍፅም ከምዝግባእን፡ ፖለቲካዊ ውድባት እውን ክልተ ጫፋት ረጊፆም ነንሕድሕዶም ካብ ምብላዕ፡ መፍትሒ ዝኸውን ኣጀንዳ ሒዞም ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም። ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና፡ ልዕሊ ኩሉ መንግስቲ ሃገራዊ ምርድዳእ ንምምፃእ፡ ህዝባዊ ድጋፍ ምስ ዘለዎም ውድባት (ሰልፍታት) ክዛተ ከምዝግባእ ሓቢሮም። \"ህዝቢ ዝመረፆ መንግስቲ ናብ ስልጣን እንትወፅእ ጥራሕ 'ኣይትውክሉናን' ዝብል ሕቶ፡ መልሲ ክረክብ እዩ\" ዝብሉ ፕሮፌሰር መረራ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ይረኣዩ ዘለዉ ፀገማት መፍትሒኦም መረፃ ምክያድ ከምዝኾነ ይዛረቡ። ፕሮፌሰር መረራ፡ ኣብ ዝቕፅል ዓመት መረፃ እንተድኣ ዘይካየድ ኮይኑ፡ እታ ሃገር ዝገደደ ሰላምን ምርግጋዕን ክትስእን ከምትኽእል ገሊፆም። ኣብ ቦርድ መረፃ እታ ሃገር ይረኣዩ ዘለዉ ለውጥታትን፡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ተቓወምቲ ውድባት (ሰልፍታት) ምዝርራቦምን፡ ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ከምዝርእይዎ ዝተዛረቡ ፕሮፌሰር መረራ፡ ልዕሊ እዚ ግን ነቲ ህዝቢ ተስፋ ዘስንቑ ነገራት ኣብ ባይታ ክረኣዩ ይግባእ ኢሎም። ካብዚ ብተወሳኺ፡ \"ኣብ ኢህወደግ ዘለዉ ኣርባዕቲኦም ውድባት ኣብ ክንዲ ምስምማዕን ሓቢርካ ምስራሕን፡ ኣብ ምጥልላፍ እዮም ኣድሂቦም፤ እዚ ብጣዕሚ ዘተሓሳስብ ጉዳይ እዩ\" ኢሎም ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48872340"} {"headline":"ካብ ጃምላዊ ህልቂት ናዚ ዝተረፋ ጓል 89 ኣደ ብፖሊስ ይሕለዋ ኣለዋ","content":"ኣብ ዓዲ ጥልያን ካብ 'ምጽናት ዓሌት' ዝተረፋ ጓል 89 ኣደ፡ ብዙሕ ምፍርራሓት ይበጽሐን ስለዘሎ ብክልተ ፖሊስ ይሕለዋ ኣለዋ። ሊሊያና ሰግረ፡ ጓል 13 ዓመተን እናሃለዋ፡ 'ኣሽዊዝ ካምፕ' እናተብሃለ ዝፍለጥ ምጽናት ዓሌት ዝፈጸመሉ ሕሱም ቦታ ንክቕተላ ተወሲደን ነይረን። እተን ኣብቲ እዋን ንሕንጢጣ [ንስክላ] ካብ ቅትለት ዝደሓና ኣደ፡ ሕዚ ድማ ኣንጻር-ሴማውያን ምፍርሓት ዝሓዘለ መልእኽቲ ይበጸሐን ኣሎ። መንቀሊ እዚ ድማ፡ እተን ንምሉእ-ህይወተን ኣባል ባይቶ ዓዲ ጥልያን ዝኾና ወይዘሮ ሰግረ፡ እቲ ባይቶ ኣንጻር-ጽልኢ ሕጊ ንከውጸእ ምሕታተን ስዒቡ እዩ። እቲ ዝቐረበ ሓሳብ፡ ካብ ውድባት ክንፊ-የመናውያን ድጋፍ እንተዘይረኸበ'ኳ፡ ኣብቲ ባይቶ ከም ሕጊ ኾይኑ ክሓልፍ ክኢሉ እዩ። እቲ ሓድሽ ኣዋጅ፡ ኣብታ ዓዲ ዝርአ ዘሎ ኩሉ ዓይነት ዘርኣውነት፣ ጽልእን ኣንጻር-ሴማውያን ስምዒታትን ተሪሩ ክቃለስ ዝኽእል ፍሉይ ኮሚሽን ክየጣየሽ'ውን ዝሓትት እዩ። እቶም ድምጾም ካብ ምሃብ ዝተዓቀቡ ኣባላት እቲ ባይቶ፡ 'ኣብ ምድሪ ዳርጋ ዘየለኹም' ኣባለት ክብላ ወቒሰንኦም። ላ ሪፓብሊካ ንዝተብሃለ ዓብይ ጋዜጣ እታ ዓዲ ከምዝተዛረበኦ፡ ብምሉአም ኣባላት እቲ ባይቶ ንሕልነኦም ክብሉ ናይዚ ኮሚሽን ምጥያሽ ዓለማ ክድግፍዎ እዮም ዝብል ተስፋ እዩ ነይሩወን። እንተኾነ፡ ካብዛ መዓልቲ እዚኣ ጀሚሩ፡ ዛጊድ ኣስታት 200 ብጽልኢት ዝተመልአ መልእኽቲታት መዓልታዊ ይበጽሐን ከምዘሎ ኣፍሊጠን። ገለ ካብቶም መልእኽታት መሰቀቕትን ዘስግኡን ኮይኖም ስለዘተረኸቡ፡ ኮሚተ ድሕነትን ጸጥታን ህዝቢ ዘትዩ እተን ኣደ ጥቡቕ ሓለዋ ክግበረለን ወሲኑ። እዚ ከምዚ እናሃለወ ድማ፡ ዓቃቤ ሕጊ ምስ ፖሊስ ኣንጻር ግብረ-ራዕዲ ኮይኑ ትሕዝቶ ናይቶም ዝተልኣኹ ናይ ጽልኢ መልእኽታት ኣብ ምጽናዕን ምጽራይን ይርከብ። ናይ ክሲ መዝገብ ከምዝኸፈተ ድማ ምፍላጥ ተኻኢሉ። ወይዘሮ ሰግረ መን'የን? ኣብ 1930 ኣብ ከተማ ሚላን እየን ተወሊደን። ካብኡ ድማ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 1943፡ ምስ ወላዲኣን ካብ ጣልያን ብምጥፋእ ካብ ምጽናት-ዓሌት ናዚ ከምልጡ ፈቲኖም። እንተኾነ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ መሰል ስደተኛነት ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ነዚ ስዒቡ፡ ድሕሪ ሓደ ወርሒ፡ ኣብ ፖላንድ ዝርከብ ኣብቲ 'ሽዑ እዋን ኣብ ቁጽጽር ናዚ ውዒሉ ዝነበረ መሬት ፖላንድ ዝርከብ፡ ጅምላዊ ጨፍጫፍ ዝፍጸመሉ ናብ ዝነበረ ኣሽዊዝ-ካምፕ ክቕተሉ ብባቡር ተሰዲዶም። ወላዲአንን ኣባሓጎኣንን ኣብዚ ካምፕ እዮም ብጅምላ ተቐቲሎም። ንሰን ግን ምስ ካልኦት ዓሌት ኣይሁድ፡ ኣብ ጀርመን ናብ ዝርከብ ካሊእ ጅምላዊ-መሳቐዪ ካምፕ ተላኢኸን። ኣብ መወዳእታ እቲ ዝነበራሉ ሓደ መሳቐዪ-ካምፕ፡ ከም ዕድል ኮይኑ ቀይሕ-ሰራዊት እናተብሃለ ብዝጽዋዕ ሰራዊት ሩስያ ነጻ ወጺኡ። ኣብ 2018፡ ወይዘሮ ሰግረ ዕድመ-ልክዕ ኣባል እቲ ባይቶ ክኾና፡ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ፕረዚደንት ጣልያን ወሲኑ። ካብ 30 ሽሕ ንላዕሊ ተወለድቲ ኣይሁድ ኣብ ጣልያን ይርከቡ። ኣብቲ እዋን ምጽናት-ዓሌት ድማ፡ ካብ 7500 ንላዕሊ ኣይሁድ ኣብ ጥልያን ጥራሕ ተጨፍጪፎም።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50342664"} {"headline":"ንፋስ ሰላም ዝነፍሰለን ገለ ዩኒቨርሲቲታት ኢትዮጵያ","content":"ቅድሚ ሕዚ ተምሳሌት ሕብረ ብሄር ኢትዮጵያ ከምዝኾና ክግለጻ ዝፀንሓ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኢትዮጵያ፡ ካብ መኣዲ ፍልጠት ወጽየን መኣዲ ዕግርግር ካብ ዝኾና ውዒለን ሓዲረን። ኣብታ ሃገር በብግዚኡ ዘጋጥም ፖለቲካዊ ረስንታት ጉሂሩ፡ ተምሃሮ ዩኒቨርሲታት ኢትዮጵያ፡ ነቲ ዝተኣጎደ ጓህሪ ከሳውሩን ዋጋ ክኸፍሉን ምርኣይ መዓልታዊ ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራን ኦሮምያን ዝነበሩ ብሄር መሰረት ዝገበሩ ጎንፅታትን ምምዝባላትን፡ ምዕጻው ትምህርቲ ዝሓለፈ ዓመት ስዒቡ፡ እቲ ኩነታት ክመሓየሽ እዩ ዝብል ተስፋ እንተነበረ እውን፡ ሕዚ'ውን ተጋዲዱ ህይወት ሰብ ይበልዕ ኣሎ። ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዩኒቨርስቲታት ወልድያን ደምቢደሎን ብዝጋጠመ ብሄር መሰረት ዝገበረ ጎንጺ፡ ህይወት ሰለስተ ተምሃሮ ጠፊኡ እዩ፤ ኣብዘን ዩኒቨርስቲታት ዝተርኣየ ጎንጺ ክላባዕ እዩ፡ ብዝብል ስግኣት ድማ፡ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ብኣካላት ጸጥታ እታ ሃገር እናተሓለዉ ክመሃሩ ግድን ኮይኑ ኣሎ። ኣብታ ሃገር ዘለዋ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ዝሕመሳሉ እዋን: ኣብ ክልላት ዓፋርን ትግራይን ኣብ ዝርከቡ ዩኒቨርስቲታት ሰላማዊ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ኣሎ። እዘን ዩኒቨርስቲታት ኣብ ካልኦት ብዝረኣዩ ብሄር ተኮርን ፖለቲካውን ጎንጽን ዘይተጸለዋሉ ምኽንያት እንታይ ይኸውን ? ካብ ክልል ኣምሓራ ከባቢ ደቡብ ጎንደር ዝመጽአ ሃብታሙ እሸቴ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ራያ ክፍሊ ትምህርቲ ኢኮኖሚክስ ተምሃራይ ሳልሳይ ዓመት እዩ። \"ኣብ ካልኦት ዩኒቨርስቲታት ንክትሰምዖ ዘሰቅቕ ኩነታት ከምዘሎ ኢና ንሰምዕ። እዚ ዩኒቨርሲቲ ግን ሰላም እዩ፤ ንኹሉ ብሄር ብማዕረ ዝርኢ ማሕበረሰብ እዩ ዘሎ፤ ብካልእ ቋንቋ ወይ ብኣምሓርኛ ኣውጊዕካ፡ 'ውይ ትግርኛ ኣይትኽእልን ድኻ?' ኢሉ ብሰላም ዘአንግድ ማሕበረሰብ እዩ\" ይብል። መንእሰይ እቲ ከባቢ፡ ኣብ ደገ ንዘለዉ ፖለቲከኛታት ስለዘይለኣኣኽ፡ ኣብ ደገ ዘሎ ሰላም ነዚ ዩኒቨርሲቲ ይጸልዎ እዩ ዝብል ተምሃራይ ሃብታሙ፡ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ኣመራርሓ'ውን ንኹሉ ተምሃራይ ብማዕረ ዓይኒ ከምዝርእይዎ ይዛረብ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ራያ ዕግርግር ንምልዓል ዝተፈተነ ተርእዮ ነይሩ፤ 37 ተምሃሮ ተወለድቲ ክልል ኣምሓራ ድማ፡ ብፍቓዶም ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ክወጽኡ ሓቲቶም። ብምንታይ ምኽንያት ክንብል? ንምክትል ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ራያ ዶክተር ነጋ ዓፈራ ተወኪስናዮም። \"ኣብ ዝሓለፈ 1 ሕዳር ዝተወሰኑ ተምሃሮ፡ ብናይ ጽሑፍ መልእኽትን ብስልክን እናፈራርሑ፡ ኣብዚ ንዓና ኣስጋኢ እዩ፤ ተጋሩ ተምሃሮ ናብ ክልል ኣምሓራ ኣይከዱን፡ ስለዚ ዝሓሰቡልና ነገር ኣሎ ማለት እዩ፡ ስለዚ እንከይቀደሙና ንቐድሞም፡ ዝብል ፖለቲካዊ ጎስጓስ ከካይዱ ጀሚሮም\" ዝብሉ እቶም ምክትል ፕረዚደንት፡ ክሳብ 100 ዝኾኑ ተምሃሮ ነቲ ዕላማ እንከይፈለጡ ተኸቲሎምዎም 'ዮም ኢሎም። ይኹን'ምበር ኣካላት ጸጥታ፣ ኣካላት ምምሕዳር መድረኽ ፈጢሮም ምስ ኣዘራረብዎም ግና፡ እቶም ብዘይፍላጥ ዝሰዓብዎም ተምሃሮ ከምዝተጠዓሱ ይገልጹ። \"ከምዚ ዓይነት ዕላማ ዘለዎም ምዃኑ ኣይፈለጥናን፤ ብሱሩ'ውን ክሳብ ህውከትን ትምህርቲ ምቁራጽን ዝበጽሕ ዕላማ ሒዞም ምንቅስቓሶም ንዓና ዝጎድእ እዩ፤ ብዘይፍላጥና ኢና ተኸቲልናዮም፡ ይቕረታ ኢሎም ተመሊሶም\" ይብሉ። \"እቶም ካብ መፈለምትኡ ካልእ ዕላማ ሒዞም ዝተበገሱ ግን ኮነ ኢሎም ቀጺሎምሉ\"፡ ዝብሉ ዶክተር ነጋ፡ ብማሕበረሰብ እቲ ከባብን እቲ ዩኒቨርሲቲን እንተተመዓዱ'ውን፡ ንክመሃሩ ፍቓደኛታት ብዘይምዃኖም፡ ብፍቓዶም ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ከምዝለቐቑ ሓቢሮም። \"እታ ዝሓሰብዋ ደም ምፍሳስን ሰላም ናይ ምህዋኽን ዕላማ ስለዘይሰመረት፡ ከም ኹራ ብህልኽ፡ 'ሰላም ኣሎ፣ ጽልዋ ኣይበሕጸሐናን፡ እንሓቶ መሰረታዊ ሕቶ'ውን የለን፡ ግን ክንለቅቕ ፍቐዱልና' ስለዝበሉና ብመሰረት ኣሰራርሓ እቲ ዩኒቨርሲቲ ፡ ክሊራንስ ፈሪሞም ንክወጽኡ ፈቒድናሎም። ኣመራርሓ ሕብረት ተምሃሮ እቲ ዩኒቨርሲቲ ዝኾነ ተምሃራይ ሃብታሙ እሸቴ፡ ነቶም 'ፈተነ ዕግርግር ዘልዓሉ ተምሃሮ' ትምህርቶም ንክቅጽሉ ከምዝተማሕጸኖም ይዛረብ። \"ንሕና ናይ ካልኣይን ሳልሳይን ዓመት ተምሃሮ፡ ክሳብ ሕዚ ኣብዚ እንትንመሃር ጸገም ኣይገጠመናን። ንሕና'ውን ካብ ጎጃም፣ ሸዋን ወሎን ኢና መጺእና ንስኹም ፍሉያት ኣይኮንኩምን። ኣይኮነን'ዶ ክትከዱ፡ ከምዚ ዓይነት ሓሳብ ትሓስብሉ ግዘ ኣይነበረን፤ ሕዚ ከይድኩም ንስድራ ካብ ምጭናቕን ነገራት ካብ ምግዳድን ሓሊፍኩም፡ ፖለቲከኛታት እዮም ክጥቀምልኩም ኢለ ብጣዕሚ ተዛሪበዮም እየ\" ይብል። ኣብቲ ከባቢ ጥራሕ እንተይኮነስ ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፍጹም ሰላምን እቲ ማሕበረሰብ እውን ትርጉም ሰላም ዝርዳእ ምዃኑን፡ ዩኒቨርሲቲ ራያ ሰላም ክኸውን ክኢሉ ዝብሉ ዶክተር ነጋ ዓፈራ፡ ካልኦት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ 'ውን፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ዩኒቨርሲቲ ካብ ዘጣይሽኦም ውዳበታት ብተወሳኺ፡ እቲ ከባቢ ሰላም ዝዓሰሎን ንሰላም ዋጋ ዝህብን ማሕበረሰብ ክረጋገጽ ይግባእ፤ እንተዘይኮይኑ ዩኒቨርስቲታት ጥራሕ ናይ ሰላም ደሴት ክፈጥሩ ኣይኽእሉን ዝብል እምነት እዩ ዘለዎም። መጽናናት ኣበበ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ክፍሊ ትምህርቲ ጋዜጠኝነት ተምሃሪት ካልኣይ ዓመት እያ። ካብ ክልል ደቡብ ከተማ ኣዋሳ ዝመጽአት መጽናናት፡ \"ዪኒቨርሲቲ መቐለ ምስ ካልኦት ዩኒቨርስቲታት እንትወዳደር፡ ሰላማዊ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ፍጹም ሰላማዊ እዩ\" ብምባል እያ ትገልጾ። \"ኣብ ካልኦት ዩኒቨርስቲታት ዘለዉ ኣሕዋትና ኣብ ከመይ ዓይነት ኩነታት ከምዘለዉ ንፈልጦ ኢና። ካብ ካልኦት ብዝተፈለየ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምምሃርና ዕድለኛታት ኢና፤ ከም ክልል'ውን ክልል ትግራይ ሰላም እዩ፤ እቲ ማሕበረሰብ ድማ ደቅና ኢኹም ኢሉ እዩ ተቐቢሉና፤ ኣብ ናይ ኣደና ገዛ ከምዘለና እዩ ዝስመዐና። ስለዝኾነ ድማ፡ ናይ ኩላትና ስድራ ቀሲኖም እዮም፣ ኣነ'ውን ኣብዚ ብምምሃረይ ሕጉስቲ እየ\" ትብል። ልዕሊ ትሽዓተ ሽሕ ተምሃሮ ተቐቢሉ ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሰመራ'ውን፡ ካብቶም ንፋስ ሰላም ዝነፍሰሎም ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኢትዮጵያ ሓደ ኮይኑ፡ 'ኣምባሳደር ሰላም' ብዝብል መሪሕ ድማ ይንቀሳቐስ። ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ሕጽረት መሰረተ ልምዓት ምህላውን እቲ ከባቢ ብተፈጥሮ ዘይምቹው ምዃኑን ተደራሪቦም፡ ተምሃሮ ናዕቢ ንከልዕሉ ምኽንያት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዝገልጹ፡ ምክትል ፕረዚደንት ጉዳያት ምምሕዳር ዩኒቨርሲቲ ሰመራ ኣይተ መሓመድ ኢብራሂም፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ግን ሰላማዊ ከምዝኾነ ይዛረቡ። \"እቲ ቀንዲ ሚስጥር ሰላም ዩኒቨርሲቲ ሰመራ፡ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲና፡ ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕላዋይ ፕረዝደንት ዘሎ ኣመራርሓ|፡ ብቐረባ ምርካብ ስለዝኽእሉ እዮም። ፀገማት እንተጋጥሙ ኩላትና ተምሃርን መምህርን ከምኡ'ውን ምምሕዳር እቲ ዩኒቨርሲቲን፡ ሓቢርና ስለንፈትሖም እዩ። ፀገማት ሱር ንከይሰዱን ናብ ዘይተደለየ ኣንፈት ከየምርሑን ንጽዕር ኢና፤ ፀገማት እንተጋጥም፡ ንተምሃሮና ቀልጢፍና ስለንበጽሐሎም እዩ\" ይብሉ። ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ካብ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ውዳበታት ተምሃሮ ብተወሳኺ፡ ካብ ዝሓለፈ 2011 ጀሚሩ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ምምሕዳር እቲ ከባቢን ስሙያት ሰባትን ብኣባልነት ዘካተተ 'ቤት-ምኽሪ ሰላም' ከምዝተጣየሸን፡ እዚ ባይቶ ንሰላም እቲ ዩኒቨርሲቲ ጥራሕ ዝከታተልን ከምዝኾነ፡ ኣይተ መሓመድ ይዛረቡ። \"ተምሃሮና ብመሰረት ዝመጽእሉ ዕላማ ኣብ ትምህርቶም ጥራሕ ንከድህቡ፡ ካብ ኣቀባብላ ጀሚሩ ክሳብ መወዳእታ ዓመት፡ ስራሕ ተኸፋፊልና ሓቢርና ኢና ንሰርሕ፤ ዘይተሓሰቡ ጸገማት እንተጋጥሙ ድማ፡ እዞም ኣካላት ሓቢሮም ዝሰርሕሉ ኩነታት እዩ ዘሎ\" ዝብሉ ኣይተ መሓመድ፡ እቲ ማሕበረሰብ ባዕሉ ነቶም ተምሃሮ ከም ደቁ ከምዝርእዮም ሓቢሮም። ዝመጻእናሉ ማሕበረሰብ ምርሳዕና እዩ እቲ ጸገም ዝብል ተምሃራይ ሃብታሙ እሸቴ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዝመጻእናሉ ዕላማ ኣይንዘንግዕ ክብል ይምሕጸን። \"ካብ ዘለናሉ ድኽነት ኢና ክንናገፍ ዘለና፡ ኣነ ሕዚ ትምህርተይ ወዲአ ንርእሰይ ክኽእል እየ ዝደልይ፤ ጥራሕ እግሮም እናኸዱ፡ ንዓና ናብዚ ዝለኣኹና ወለድና ረሲዕና ናብ ዘይረብሕ ነገር ክነምርሕ የብልናን\" ይብል። \"እዚ ማሕበረሰብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕትን ዘጋጠመ ሞትን ኩሉ እናፈለጠ እዩ፡ ንዓና ሓቢኡ ኣጽሊሉና ዘሎ፣ ምስቲ ማሕበረሰብ ናይ ኣደን ውላድን ርክብ እዩ ዘለና\" ብምባል ነቲ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ መቐለን ትግራይን ዘሎ ሃዋህው ሰላም ትገልጾ ተምሃሪት መጽናናት፡ እቲ ኣብ ካልእ ከባቢ ዘሎ ማሕበረሰብ፡ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ናብ ግጉይ መገዲ እንትኸዱ ከም ውላዱ ክምዕድን ክግስጽን ይግባእ ትብል። \"እቲ መፍረይ ሓይሊ መንእሰይ'ውን ፡ ከልምዕን ከጥፍእን ይኽእል እዩ፤ ስለዚ ህዝባ ተሓላልዩ፣ተፋቒሩ ዝነብረላ፡ ጋሻ ተቐባሊት ሃገር ንፍጠር\" ብምባል ሓሳባ ትዛዝም። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ ተወልድቲ ትግራይ ይፍጸም ብዝነበረ መጥቃዕቲ፡ ቁጽሮም ቀሊል ዘይበሃል ተምሃሮ፡ ካብ መኣዲ ትምህርቶም ዝበኾሩ እንትኾኑ፡ ተምሃሮ ኣብ ክልሎም ንክምድብ ዝጠልቡ ሰልፍታት'ውን ተኻይዶም። ግን፡ እተን ትካላት ትምህርቲ ዋንነት ፌደራል ብምዃነን፡ ተምሃሮ ኣብ ዝተመደቡዎ ዩኒቨርሲቲ ክመሃሩ ኣለዎም ካብ ዝብል ልሙድ መልሲ ወጻኢ፡ ዝተውሃበ ምላሽ ኣይነበረን። እናሓደረ ፈኸም ዝብል ብሄር መሰረት ዝገበረ ጎንፅታት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኢትዮጵያ ግን ምስ ቀጸለ እዩ።","category":"ዘርኣውን ዓሌታዉን ዝምድናታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50435501"} {"headline":"ቡን ምስታይ ንጥዕና ኣካታዒ ዝኾነሉ ምኽንያት","content":"ካፌይን ኣብ ዓለም ዝተፈልጠ መድሃኒት'ዩ። ሰባት ነዚ ተፈጥሮኣዊ ምንጪ ካፌይን ዝኾነ ቡን ንዘመናት ክሰትይዎ ጸኒሖም ኣለው። ይኹን'ምበር ጎናዊ ሳዕቤኑ ጠሚቱ ሕውስውስ ዝበሉ ሓሳበት ክቐርቡ ጸኒሖም። \"ብልሙድ ቡን ሕማቕ ተገይሩ'ዩ ዝውሰድ ነይሩ\" ይብል ክኢላ ሜታቦሊዝም ዓለምለኸ ኤጀንሲ መጽናዕቲ መንሽሮ [IARC ] ማርክ ጉንተር። \"ካብ 1980ታት ክሳብ 1990ታት ዝተኻየዱ መጽናዕታት: ቡን ዝሰትዩ ሰባት ንሕማም መትነ-ልባዊ [ካርዲዮቫስኩላር] ተቓላዕቲ'ዮም ዝብል ድምዳመ ነይሩ፤ ካብ ሽዑ ንድሓር ግን ተቐይሩ'ዩ\" ኢሉ። ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዝተኻየዱ መጽናዕታት፡ ተመራመርቲ ካብ ኣማኢት ኣሽሓት ቡን ዝሰትዩ ሰባት ዝኣከቡዎ መረዳእታ ከም ዘሎ ይዛረብ። እንተኾነ እዞም መጽናዕታት እንታይ'ዮም ዝብሉ? ቡን ምስታይከ ንጥዕናና ጠቓሚ'ዶ ጎዳኢ? ቡን፡ ኣብ ከም ኬክን ዝተጠብሰ ድንችን (ቺፕስ) ዝርከብ መንሽሮ ከስዕብ ዝኽእል ኣብ እዋን ምብሳል ብልዑል ሙቐት ዝፍጠር ኤክራይላሚድ ዝተባህለ ንጥረ ነገር ስለ ዘለዎ ንመንሽሮ ምስ ዘቃልዑ ሓደጋታት ክተሓሓዝ ጸኒሑ'ዩ። ይኹን'ምበር ብ2016 ዝተኻየደ ዓለምለኸ መጽናዕቲ መንሽሮ: ቡን ልዕሊ 65 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ብዝኾነ ዋዒ እንተዘይተሰትዩ ንመንሽሮ ከቃልዕ ዝኽእል ንጥረ ነገር የብሉን ክብል ደምዲሙ። ካልኦት መጽናዕታት'ውን ቡን ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣለዎ ኢሎም። ንኣብነት፡ ገሊኦም ኣብ ሞንጎ ቡን ምስታይን ሕሙማት መንሽሮ ዓብዪ መዓንጣን ዘሎ ዝምድና ዘርእዩ'ዮም። ብ2017፡ ጉንተር ኣብ ኤውሮጳ ንልዕሊ 16 ዓመታት ቡን ናይ ምስታይ ልምዲ ናይ ዘለዎም ፍርቂ ሚሊየን ሰባት መጽናዕቲ ኣሕቲሙ። እቶም ብዙሕ ቡን ዝሰትዩ ሰባት ሕማማት ልቢ፣ ወቕዒ ልብን መንሽሮን ናይ ምሕማም ዕድሎም ዝተሓተተ እዩ። ኣብ ኣሜሪካ ዝተኻየዱ ተመሳሰልቲ መጽናዕትታ'ውን ዘርኣይዎ ውጽኢት ተመሳሳሊ እዩ። ጉንተር፡ ኣብ መዓልቲ ክሳብ ኣርባዕተ ፍንጃል ቡን ዝሰትዩ ሰባት ካብቶም ዘይሰትዩ ክነጻጸር እንከሎ ዝተሓተ ሕማም ኣለዎም ዝብል ንምርግጋጽ ብዝተገብረ መጽናዕቲ እኹል ስምምዕ ኣሎ ይብል። ኣብዚ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰተይቲ ቡን ምስቶም ፈጺሞም ቡን ዘይሰትዩ ክነጻጸሩ እንከለው ሲጋራ ዘትክኹን ዘይተስተኻኸለ ናይ ኣመጋግባ ስርዓት ዘለዎምን'ዮም። ኣብዚ፡ እንድሕር ቡን ንሕማማት መንሽሮን ልብን ዘለና ተቓላዕነት ዝንኪ ኮይኑ፡ ሳዕቤን እቶም ንጥዕናና ጎዳእቲ ዝኾኑ ልምድታት ክስዕሮም ይክእል'ዩ ማለት'ዩ። ስለዚ ረብሓ ቡን ካብ እንግምቶ ንላዕሊ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ይኹን'ምበር ኩሎም መጽናዕታት ሓደ ዓይነት መበገስን ውጽኢት ዘረጋግጹ ኣይኮኑን። ቡን ዝሰትዩ ሰባት ካብቶም ዘይምስታይ ዝመርጹ ብቐሊሉ ንሕዱር ሕማም ዝተቓልዑ ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም ይብል ሙሁር ዩኒቨርሲቲ ብሪስቶል ፒተር ሮጀርስ። እዚ ካብቲ ዘይምዕሩይ ናይ ኣነባብራ ልምዶም ዝብገስ ክኸውን ይኽእል። ኣብ ቀረባ፡ ብዘይምቁራጽ ቡን ዝሰትዩ ሰባት ንሓደጋ ካሪዲዮቫስኩላር ሕማማት ዘሳጥሕ ልዑል ጸቕጢ ደም ከጋጥሞም ከም ዝስትውዓል ዝገልጹ ሓበሬታታት ወጺኦም'ዮም። ሮጀርስ ግን እቲ ምስ ቡን ምስታይ ብዝተሓሓዝ ዝመጽእ ልዑል ጸቕጢ ደም ምስ ልዑል ሕማም ካርዲዮቫስኩላር ዝተኣሳሰር'ዩ ዝብል መረጋገጺ የለን ይብል። ሓደ ጉጅለ መጽናዕቲ ብወገኑ ካፌይን ዘለዎ ቡን ምስታይ ኣብ መጠን ሽኮር ደም ጽልዋ ከም ዘለዎ ይገልጽ። እዚ ብዩኒቨርሲቲ ባዝ ዝተኻየደ ንኡሽቶ መጽናዕቲ፡ ቡን ድሕሪ ዝተቖራረጸ ናይ ድቃስ ሰዓታት ኣብ ዝህሉ ሰዓታት ንሰብነትና ከመይ ይጸልዎ ዝብል ርእዩ። ኣብዚ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰተይቲ ቡን ንቑርሲ ሽኮር ዘለዎ ቡን ዝሰትዩ ሰባት ምስቶም ቅድሚ 'ቁርሲ' ቡን ዘይሰትዩ ክነጻጸር እንከሎ 50 ሚኢታዊት ናይ ደም ሽኮር ክውስኹ ተራእዩ። ኣብ እዋን ጥንሲ ካፌይን ዘለዎ ቡን ምስታይ ኣካታዒ'ዩ። ፈጻሚት ስራሕ ማየርስ ምምኻር ኢስተር ማየርስ፡ 380 መጽናዕታት ዝተንተነት ኮይና፡ ንኣባጽሕ ኣብ መዓልቲ ኣርባዕተ ፍንጃን፣ ንነፍሰ ጾር ድማ ሰለስተ ፍንጃል ቡን ምስታይ ዝኾነ ኣሉታዊ ጽልዋ የብሉን ክትብል ደምዲማ። ይኹን'ምበር ኤጀንሲ ደረጃታት መግቢ: ነፍሰ ጾርን ዘጥቡዋን ኣዴታት ኣብ መዓልቲ ካብ ሓደ ወይ ክልተ ንላዕሊ ክሰትያ ኣይምዕድን። ኣብዚ ዓመት ድማ፡ ሰብ ሞያ ነቶም ቅድም ኢሎም ዝተኻየዱ መጽናዕታት ብምምርማር ነፍሰ ጾር ደቂ ኣንስትዮ ሓደጋታት ምኻድ ጥንሲ ወይ ምውት ከምኡ'ውን ትሑት ዓቐን ዘለዎ ህጻን ምውላድ ንምውጋድ ቡን ምስታይ ጠጠው ከብላ ኣለወን ኢሎም ደምዲሞም። ጸሓፊትን ክኢላ ስነ ቑጠባን ኢምሊ ኦስቴር ብወገና \"እቲ ዓብዪ ስግኣት ካፌይን ምጥቃም ምስ ምኻድ ጥንሲ ስለ ዝተሓሓዝ'ዩ፤ ብፍላይ ድማ እተን ናይ መጀመርታ ሰለስተ ኣዋርሕ\" ትብል። እንተኾነ ብፍሉይ ነዚ ዝጥምት ሰነድ ከም ዘየለ ብምሕባር ካብ ናይ ትዕዝብቲ መረዳእታ ተበጊስካ ድምዳመ ምሃብ እሙን ኣይገብሮን ኢላ። \"ኣብ እዋን ጥንሲ ቡን ዝሰትያ ደቂ ኣንስትዮ ብዕድመ ዓበይቲ ናይ ምዃንን ሲጋራ ናይ ምትካኽን ሰፊሕ ዕድል ኣለወን። ዕድመን ምትካኽን ድማ ምኽንያት ልዑል መጠን ምኻድ ጥንሲ ምዃኖም ንፈልጥ ኢና\" ኢላ። ወሲኻ \"እቲ ኻልኣይ ጉዳይ ኣብ መጀመርታ ናይ ጥንሲ እዋናት ስግድግድ ዝብለን ደቂ ኣንስትዮ ነዚ ናይ ምቅላዕ ዕድለን ዝተሓተ'ዩ። እዚን ክሕመን እንከሎ ቡን ምስታይ'ውን የወግዳ። ስለዚ ብዙሓት ኣብ እዋን ጥንሲ መግብን ካልእን ናይ ምጽላእ ባህሪ ዘርእያ ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥመን ምኻድ ጥንሲ ትሑት'ዩ\" ክትብል ተረድእ። ኦስቴር፡ ኣብ መዓልቲ ክልተ ወይ ኣርባዕተ ፍንጃል ቡን ምስታይ ሓደጋ ምኻድ ጥንሲ ዝውስኽ ኣይመስልን ትብል። ቡን ከም መንሽሮን ምኻድ ጥንስን ዝበሉ ጸገማት ጥዕና ከስዕብ ይኽእል'ዩ ካብ ዝብሉ ስግኣታት ብተወሳኺ ኣብ ሓንጎልናን ናይ መትኒ ስርዓትን ጽልዋ ከም ዘሕድር ይግለጽ። ገለ ሰባት ሙሉእ መዓልቲ ቡን እናሰተዩ ክውዕሉ ይኽእሉ፤ ገሊኦም ግን ሓንቲ ግዜ ምስ ሰተዩ ስምዒታት ምጭንናቕ ወይ ሻቕሎት ክስምዖም ከም ዝኽእል መጽናዕታት ይጠቕሱ። ኣብ ሰረት ወለዶና [ጂን] ዘለው ኣፈላላያት ክልተ ሰባት ብኸመይ በቲ ካፌይን ክጽለው ይኽእሉ ዝብል ክፈላለ ምኽንያት ኮይኖም'ዮም ይብሉ። ማዬርስ ግን \"ካፌይን ንዝተፈላለዩ ሰባት ዘሕድሮ ጽልዋ ካብ ምንታይ ዝብገስ'ዩ ዝብል ብዝግባእ ኣይርድኣናን\" ኢላ። ሕጂ ግን ስሩዓት ሰተይቲ ቡን ንዝኾኑ ሰባት ጽቡቕ ዜና የለን። \"መዓልታዊ ሰብነትና ካፌይን ምውሳድ ክለምድ እንከሎ ሰብነትና ስሩዕ ስርሑ ንክሰርሕ ኣብቲ ካፌይን ጽግዕተኛ ይኸውን'ዩ ዝብል ስነ ልቦናዊ ለውጥታት ይፍጠር'ዩ። ቡን ምስታይ ስራሕ ኣብ ናይ ምስራሕ ብቕዓትና ጥቕሚ የብሉን\" ክብል ሮጀርስ የረድእ። ካፌይን ንረብሕኦም ክውዕሉ ዝገብሩ ሰባት፡ እቶም ብተኸታታሊ ዘይሰትዩ ሰባት ምዃኖም ድማ ይዛረብ። ብኻልእ ሰባት፡ ውሉፍ ቡን ኮይነ ወይ ኮይንኪ ኢሎም ከባጭዩ ይስትውዓል፤ እቲ ሓቂ ግን ብዝተወሰነ መልክዑ ጽግዕተኛ ኮይኖም'ዮም ይብል። ቡን ዝሰትዩ ሰባት ከስተውዕሉዎ ዝግባእ ይብል ሮጀርስ፡ ካብቲ ልምዲ ምውጻእ'ዩ። \"ዝኾነ ኣብ መዓልቲ ቁሩብ ፍንጃል ወይ ቢኬሪ ዝሰቲ ሰብ ናይ ካፌይን ጽግዕተኛ'ዩ። ነዚኦም እቲ ቡን እንተኣሕዲግኻዮም ናይ ድኻም ወይ ርእሲ ሕማም ክስምዖም ይኽእል\" ክብል የረድእ። እዞም ሓደ ሰብ ክንደየናይ ሰታይ ቡን ምዃኑ ዘርእዩ'ዮም። እዚ ግን እቲ ካፌይን ክሳብ ፍኹስ ዝብለሎም ስለ ዝኾነ ንሰለስተ መዓልቲ ወይ ንሰሙን ዝጸንሕ ባህሪ ምዃኑ ሓቢሩ።","category":"መንሸሮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58645965"} {"headline":"ድሕሪ 20 ዓመታት ተራኺቦም ሓዳር ዝመስረቱ ፍቝራት፡ ንኻልኣይ ግዜ ደኣ እንታይ ፈለዮም?","content":"እዚ ሕጂ ዝነግረኩም ዛንታ፡ ኣብ መወዳእታ ዘመነ ስልጣን ደርግ፡ ኣብ ወለጋ፡ ወረዳ ሆሮ ጉድሩ፡ ሻምቡ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ዝጅምር ዛንታ ፍቕሪ ንእስነት፡ ምፍልላይ፡ ደግሲ ፍቕሪ፡ ሓዳርን፡ እንደገና ምፍልላይን እዩ። ኣነን ወልቀባ ቡርቃን ኣብ ከተማ ሻምቡ ብሓደ ኢና ዓቢና። ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ'ውን ኣብ ሓደ ክፍሊ ተማሂርና። ንትምህርቲ ብሓደ ንመላለስ፡ ብሓባደ ነጽንዕ ነበረና። ፍቕሪ ክልቴና ብኸምዚ እዩ ጀሚሩ። እንተዀነ፡ ቍልዕነት'ስለዝነበረና ፍቕርና ብግቡእ ኣይሓዝናዮን ዝነበረና። ብድሕረኡ፡ ምስታ ብዓልቲ ሓዳር ዝነበረት ሓብተይ ክቕመጥ ኢለ ካብ ወለጋ ናብ ጐንደር ከድኩ። ወልቀባ እውን ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ንኽውድእ ንነቀምት ስለ ዝኸደ ብኡ ተፈላሊና። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዝና ተራኺብና ኣይንፈልጥን። ኣብቲ ግዜ እቲ ክትራኸብ ቀሊል ኣይነበረን፤ ተሌፎን ብዙሕ ኣይነበረን፣ ደብዳበ እንተ ተለኣኢኽና'ውን ዳርጋ ኣይበጽሕን ነይሩ። ብሰንኪ 'ዚታት ንዓመታት ተፈላሊና ጸኒሕና። ንሱ ነቀምት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ብሰንኪ እቲ ሽዑ ዝነበረ ፖለቲካዊ ሃዋሁ፡ ጽቡቕ ግዜ ኣየሕለፈን፣ ንትሽዓተ ዓመት ተኣሲሩ ነይሩ። ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ምስወዳእኹ፡ ኣለይቲ ሕሙማት (nursing) ኰይነ ተመሪቐ። ስራሕ ሒዘ'ውን ህይወተይ ክመርሕ ጀሚረ። ወልቀባ ብወገኑ ካብ ማእሰርቲ ምስተፈትሐ፡ ኣቋሪጽዎ ንዝነበረ ትምህርቱ ወዲኡ፡ ስራሕ ሒዙ ህይወቱ ይመርሕ ነይሩ። እንደገና ንኽንራኸብ ምኽንያት ዝዀነትና ሓንቲ  ዘመደይ እያ። እዛ ዘመድ፡ ምስ ወልቀባ ኣብ ሓደ ከባቢ እያ ትነብር። ከም ኣጋጣሚ ገዛኣ ከይዱ ኣብ ኣልበማ ናተይ ስእሊ ምስ ረኣየ ብኸመይ ከም እትፈልጠኒ ሓተታ። ብዛዕባይ ሓበሬታ ምስ ረኸበ ከይወዓለ ከይሓደረ ናብቲ ኣነ ዝሰርሓሉ ደስታ ሆስፒታል መጺኡ። ኣነ ዝነበረኒ ሓበሬታ ብዘመነ ደርጊ ከም ዝተቐትለ ስለዝነበረ፡ ብህይወት ኣሎ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን። ምስመጸ መጀመርያ ንሱ ከምዝኾነ ኣይፈለጥኩን። ምስ ኣለለኽዎ ግን ኣዝዩ ገሪሙኒ፣ ሰንበድኩን ፈራሕኩን ድማ። ካብ ሞት ተንሲኡ ዝመጸ ጥራይ እዩ መሲሉኒ። ብድሕሪኡ ከም ብሓድሽ ተፋሊጥና፤ ከም ብሓድሽ'ውን ክንራኸብ ጀሚርና። እቲ ኣብ ቍልዕነትና ዝነበረ ፍቕሪ እንደገና ደጊሱ ከነሐድሶ ጀመርና። ክንዘራረብን ክነዋግዕን ከለና ኣብ ልብና ዘይሞተ ፍቕሪ ነይሩ። ኣነ ኣብ ውሽጢ ልቡ፡ ንሱ እውን ኣብ ውሽጢ ልበይ፣ ንደላለስ ነይርና ኢና። እቲ ዅሉ ዓመታት ክልቴና ሓዳር ኣይገበርናን ዝነበርና። ከም ብማሕላ መብጽዓ ዝተጠምሩ ፍቝራት ንጸባበ ነይርና ማለት እዩ። ብሰንኪ ዝተፈላለየ ተጓንፎታት ህይወት ተፈላሊና'ኳ እንተነበርና፡ ምስ ተራኸብና ግን ፍቕርና እንደገና ክነዐምብብ ተሰማሚዕና። ሳላ ፈጣሪ ድማ መርዓና ጸንቢልና ሓድሽ ሓዳር መስሪትና። ወልቀባ ኣመና ጽኑዕን ፈታዊ ሰብን እዩ። ስለዝዀነ ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሮ ዝሓሸ ስራሕን ናብራን ሓዲጉ ኣብ ገጠራት ወሪዱ ህዝቢ ከገልግል መሪጹ ነበረ። ኣብ ስርሑ ዕቱብ ስለዝዀነ ኣብ ፊንጫ፡ ባኮን አምቦን ኣብ ዝሰርሓሉ ግዜ ሓያል ፍቕሪ ህዝቢ ከሲቡ እዩ። ወልቀባ ኣብ አምቦ እናሰርሐ እንከሎ ከምቲ ልሙድ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ እናተመላለስኩ ክበጽሖ ኢለ ከድኩ። ሽዑ ግን ሓሚሙ ተኻኢሉ ጸኒሑኒ። ምግቢ ስለዘይረግኣሉ ዘቕረብክዎ መኣዲ ገና ከይተላዕለ እንከሎ እቲ ዝበልዖ ምግቢ የምልሶ። ኣብኡ ኣብ ኣምቦ፡ ምርመራ ተገይርሉ ስቶማኮኡ፡ ኵላሊቱን ጸላም ከብዱን ደሓን ከምዝኾነ ተነጊርዎ። ስራሕ ሓዲጉ ክኸይድ ዘይደለየ'ኳ እንተነበረ፡ ብኽንደይ ልማኖ ናብ ኣዲስ ኣበባ መጺኡ ከም ዝሕከም ገበርኩ። ኣብኡ'ውን ተመሳሳሊ ሕክምናዊ መርመራታት ተገይሩሉ ዝዀነ ሕማም ኣይተራእየን። ግን ከኣ መግቢ ምርጋእ ኣበዮ። ሕክምና እናተኻታተለ እንከሎ፡ ሓንቲ ዓይኑ ምርኣይ ከም ዝተጸገመ ነጊሩኒ። ነታ ኣይትርእይን ዝበላ ዓይኑ ዓሚተ በታ ካልአይቲ ንኽርኢ እንተሓተትክዎ፡ ብርግጽ እታ ዝበላ ዓይኑ ኣይትርእን ዝነበረት። ሆስፒታል ከይዱ ምስ ተሓከመ ግላኮማ ኣለካ፣ ሓንቲ ዓይንኻ ዓዊራ እያ። እታ ኻልአይቲ'ውን ክትጉዳእ ጀሚራ'ላ ተባሂሉ። መድሃኒት ወሲዱ ምሕዋይ እናጀመረ እንከሎ ግን ካልእ ተወሳኺ ጸገም መጺኡ። ክስጉም እከሎ ሚዛኑ ክሕሉ ኣይከኣለን፣ ከም ሰኽራን ሰንከልከል ይብል። ምስ መሓዙተይ ብምዃን ሓኪም እንተ ኣማኸርና እውን መንቀሊኡ ክፍለጥ ኣይተኻእለን። ኣብ መወዳእታ ብናይ መትኒ ሓኪም (ኒውሮሎጂስት) ተሓኪሙ፡ መርመራ ርእሲ ኤምአርአይ ምስ ገበረ፡ ውጽኢቱ ኣብ ድሕሪት ርእሱ ሕበጥ መንሽሮ ከምዘሎ ተፈልጠ። ምግቢ ንኸይረግኣሉን ሚዛኑ ንክስሕትን ዝገብሮ ዝነበረ ኸኣ ንሱ እዩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሓከምዎ ሓኻይም፡ እቲ ሕበጥ መንሽሮ ዝተፈጥረሉ ቦታ፡ ሚዛን ምንቅስቓስን ትርግታ ልቢን ዝቈጻጸሩ መትንታት ዝርከቡሉ ቦታ ከምዝኾነ ገሊጾምልና። ኣብ ርእሲኡ፡ እቲ ሕበጥ ምሉእ ብምሉእ ንኽወጽእ ምግባር ከም ዘይከኣል፡ እንተዀነ ኣብ ወጻኢ ሃገር ሕክምና እንተገይሩ ጥራይ ክንኪ ከምዝከኣል ነጊሮምና። ግዘ ከየጥፋእና ኣብ ህንዲ ምስዝርከብ ሓኪም ተማኺርና። ምሉእ ብምሉእ ምውጻእ ከም ዘይከኣል፣ 90 ሚእታዊ ኣውጺእካ ንቲ 10 ሚእታዊ ብሕክምና ራዲዮቴራፒ ክሳተኻኸል ምግባር ከም ዝከኣል ነጊሩና። ነዚ ሕክምና እዚ ዝኸውን ገንዘብ ግን ካበይ ይምጻእ? ዶ\/ር ሂሩት ትበሃል መሓዛይ፡ ሓወይ ይድሓን እምበር ገንዘብ ዝትካእ እዩ ኢላ 400,000 ቅርሺ ሂባ ደረት ዘይብሉ ልግሲ ኣርኣየትኒ። ብኸምዚ ኵነታት ቅድሚ 10 ዓመት ኣቢሉ እዩ ንኽህምና ናብ ህንዲ ዝወሰድክዎ። ኣብ ህንዲ ሸውዓተ ሰዓት ብዝወስደ መጥባሕቲ እቲ ሕበጥ ኣውጺኦምሉ። እቲ መንሽሮ ኢፐንዲሞማ (Ependymoma) ብዝብል ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ናብ ካልእ ክፍሊ ኣካላትና ዝዝርጋሕ ኣይኮነን። እቲ ሓኪም ግን ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ መትንታት ርእሱ ከም ዝተጐድአ ነጊሩና። ሕክምና ክግበረሉ እንከሎ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ከም ዝበጽሐ ገሊጹልና። እቲ ሕበጥ መንሽሮ ክምለስ ዝኽእለሉ ዕድል እንተሃልዩ ምስ ሓተትክዎ ኣዝዩ ትሑት ከምዝኾነ ግን ድማ ከጋጥም ከምዝኽእል ኣረዲኡኒ። ወልቀባ ካብ ህንዲ ከይወጸ እንከሎ፡ ምልክት ጭንቀት ኣእምሮ ክስምዖ ጀሚሩ። ብሓደ ኴንና ተሸጊርና፣ ናብ ዓደይ ክምለስ፡ ከምዚ ዓይነት ሕክምና ኣየድልየንን'ዩ ይብል ነይሩ። ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስተመለስና ሕክምና ጥዕና ኣእምሮ ገይሩ መድሃኒት ክወስድ ምስ ጀመረ ክሓዊ ጀሚሩ። ምስ ተመለስና'ውን ምስቲ ኣብ ህንዲ ዘሎ ሓኪም እናተማኸረ፡ ሕክምና ኣእምሮ እናተኸታተለ፡ ሚዛኑ ምሕላው እንተጸገሞ'ውን ስርሑ እናሰርሐ፡ ንሸውዓተ ዓመታት ብሰላም ክነብር ጸኒሑ። ኣብ መበል ሸውዓተ ዓመት ግን፡ ከምቲ ኵልሳዕ ዝገብሮ ኣእምሮኡ ኣብ ከመይ ኵነታት ከም ዝርከብ ብኤምአርአይ ተራእዩ ናብቲ ህንዲ ዘሎ ሓኪም ምስ ለኣኸሉ፡ እቲ ሕበጥ መንሽሮ እንደገና ክበቁል ከምዝጀመረ ጽሒፉሉ። ኣብዚ ግዜ እዚ ምሉእ ብምሉእ ሚዛኑ ክሕሉ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ ነይሩ። ኣብ መገዲ ምውዳቕ፣ ኣበይ ከም ዘሎ ዘይምፍላጥን ምርሳዕን ጀሚሩ። እቲ ዝርእዮ ዝነበረ ለውጢ ኣዝዩ ቕልጡፍ እዩ ነይሩ። ስለዝኾነ፡ ምሉእ ብምሉእ ክድሕን ተስፋ'ኳ እንተ ዘይነበረኒ፡ ልክዕ ከምታ ቀዳመይቲ ንሒደት ዓመታት ብህይወት እንተነበረ ኢለ እንደገና ናብ ህንዲ ወሰደዮ። ባዕሉ ክንቀሳቐስ ስለዘይክእል፡ ብሽክለታ ስንኩላን እዩ ዝጥቀም ነይሩ። ኣብቲ ካልኣይ ዙር ሕክምና መትንታቱ ክንካእን ንሞት ክቃላዕን ስለ ዝኽእል ዝሓሸ ኣማራጺ፡ ራዲዮቴራፒ እዩ ተባሂሉ። ክኢላ ሕክምና ራዲዮቴራፒ ድማ፡ እቲ ሕበጥ ድፉን ስለዝዀነ እንተዘይተቐኒሱ፡ እቲ ጸርጊ ኣይሓልፍን፤ ለውጢ'ውን ኣየህልዎን'ዩ ኢሉና። በዚ ድማ መጥባሕቲ ተገይርሉ። እንተዀነ ድሕሪ'ዚ ሕክምና ግን፡ ከም ስርዓተ ምስትንፋስ ዝኣመሰሉ ጸገማት ስዒቦም። ብህይወት ከም ዘይተርፍ ምስ ፈለጥኩ ፈጣሪ ብሰላም ምእንቲ ከዕርፎ ክጽሊ ጀሚረ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ህንዲ እንከሎ ህይወቱ ሓሊፋ፣ ሬሳኡ ሒዘ መጺአ ድማ ኣብዚ ተቐቢሩ። መንሽሮ ርእሲ፡ ኣብ ዝዀነ ይዅን ክፍሊ ርእሲ ክዓቢ ከም ዝኽእል ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ማእከል ጥዕና ዩኒቨርሲቲ ጆን ሆፕኪንስ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ይሕብር። እዚ መንሽሮ እዚ ካብ ካልኦት መንሽሮታት ዝፈልዮ ነገር መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ካልእ ኣካላት ስለ ዘይዝርጋሕ እዩ። ኰይኑ ግን ንቐንዲ መትንታት ብምጥቃዕ ንሞት ዘቃልዕ ሕማም እዩ። ኣብ ኣመሪካ ካብ 100 ሽሕ በጽሕታት እቶም 30 ብኸማዚ ዓይነት መንሽሮ ከምዝጥቅዑ ይፍለጥ።","category":"መንሸሮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cxev75jye72o"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ 'ኣይኮነን ኬሞቴራፒ ናይ ተምላስ መድሃኒት'ውን የብልናን'","content":"ተኽለመድህን ተኽለሃይማኖት፡ ወዲ 14 ዓመት ቈልዓ እዩ። ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ከብዱ ሓቢጡ፡ ሓያል ረስኒ፡ ምንካይ ክብደት ሰብነትን መድመይቲ ኣፍንጫን ተራእይዎ፡ ካብ ተንቤን ናብ መቐለ ዓይደር መወከሲ ሆስፒታል መጺኡ። መርመራ ምስ ተገብረሉ ግን፡ ሓካይም ሉኬሚያ ከም ዘለዎ ኣረጋጊጾም። ሽዑ ቀዳማይ ገጽ ሕክምና ኬሞቴራፒ ተገይርሉ ቅሩብ ከም ዝተመሓየሸ ሓካይም ይዛረቡ። ኣብቲ ግዜ፡ ዝስዕብ ካልኣይ ገጽ ሕክምና ኬሞቴራፒ ንኽግበረሉ ድሕሪ ክልተ ሳምንቲ ክምለስ ተነጊርዎ ካብቲ ሆስፒታል'ኳ እንተወጽአ፡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣይተመለሰን። ልዕሊ እቲ ዝግባእ ግዜ ጠፊኡ ናብቲ ሆስፒታል ክምለስ እንከሎ ግን፡ እቶም ምልክታት ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዝገደዱ ኮይኖም ጸኒሖም። \"ንመርመራ ደምን መድሃኒታትን ዝኸውን ወጻኢታት ክንክእሎ ስለ ዘይከኣልና ኢና ጠፊእና፡\" ይብሉ ወለዱ። ብሰንኪ'ዚ፡ እቶም ዝርኣይዎ ዝነበሩ ምልክታት'ውን ብወዓል ሕደር ምምሕያሽ ከርእዩ ይኾኑ'ዮም ብዝብል ተስፋ ኣብ ገዛ ሒዞምዎ'ዮም ጸኒሖም። ይዅን'ምበር፡ እቲ ሕማም ስለ ዝበርትዖ ኣብቲ ሆስፒታል ደቂሱ ሕክምናዊ ናብዮት ይግበረሉ ኣሎ። ሓካይም እቲ ሆስፒታል ግን፡ ብሰንኪ እቲ ሆስፒታል ኣጋጢሙዎ ዘሎ ሕጽረት ቀረባት ኣፋውስን ተዛመድቲ ጉዳያትን፡ ህጻናትን ኣባጽሕን ሕሙማት መንሽሮ ዝሕከምሉ ዓቕሚ እናተጸንቀቐ ብምምጽኡ 'ብቀቢጸ ተስፋ ተዋሒጥና ንርከብ' ይብሉ። ዝበዝሐ ኣብ ህጻናት እቲ ክልል ዝርአ መንሽሮ ናይ ደም ከም ዝኾነ ዝጠቅስ ክኢላ ሕክምና መንሽሮን፡ ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ መጽናዕቲ መንሽሮ [ኦንኮሎጂ] ዓይደር ዶክተር ክብሮም ሕሉፍ፡ እቶም ኣብ ህጻናት ዝርኣዩ መንሽሮ ብቐሊሉ ክሕከሙ ከም ዝኽእሉ የረድእ። እንተኾነ፡ \"ሕዚ እቲ ሕክምና የለን፤ ብህይወት ንኽጸንሑ መዓልቶም ዝሓለፎም መድሃኒታት ኢና ንጥቀም ዘለና፤ ምናልባት ዕድለኛታት ኮይኖም እንተሓውዮም ኣብ መጻኢ እንታይ ከጋጥሞም ከም ዝኽአል ኣይንፈልጥን፡\" ይብል። ኣብ ትግራይ፡ መብዛሕትኦም ሕሙማት መንሽሮ ቈልዑ ዘለዎም ስድራቤታት፡ ካብቲ ክልል ወጺኦም ደቆም ንኸሐክሙ ንመጓዓዝያን ካልእን ወጻኢታት ልዕሊ ዓቕሞም እዩ። ሕክምና መንሽሮ ዝሓቶም ወጻኢታት ኣዝዩ ብዙሕን ነዊሕ ግዜ ዝወስድን ብምዃኑን ካልእ ጾር እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ መንሽሮ ዘለዎም ህጻናት ከም ኬሞቴራፒ ዝበሉ ግቡእ ሕክምና እንከይረኸቡ ኣብ ገዛኦም ይሞቱ ምንባሮም ሓካይም ይገልጹ። ኣብቲ ሆስፒታል ክፍሊ ሕክምና መንሽሮ ህጻናት ኣብ 2017 ክኽፈት እንከሎ፡ እዞም ጸገማት ብምቅላል፡ ሰባት ኣብ ቀረባ ሕክምና ክረኽቡ፡ መንግስቲ ፍርቂ ወጻኢታት ኬሞቴራፒ ክሽፍኖን እቲ ዝተረፈ ክፍሊት ድማ ብመልክዕ ልቓሕ ክኸውን ብምግባር፡ ኣገልግሎት ክህብ ምጽንሑ ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ፣ ገለ ክፋላት ኣምሓራ፡ ዓፋር ከምኡ'ውን ኤርትራ ዝመጽኡ ሕሙማት መንሽሮ ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ክግልገሉ ዝጸንሑ ኮይኖም፡ ቍጽሪ ሓደስቲ ህጻናት ተሓከምቲ ካብ 72 ናብ 110 ክብ ኢሉ ከም ዝነበረ መረዳእታ እቲ ሆስፒታል የመልክት። ብሰንኪ እቲ ኲናትን ድሕሪኡ ዝስዓበ ዕጽዋን ግን፡ እዚ ቝጽሪ ብፍርቂ ከም ዝነከየ ሓካይም ይገልጹ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝቐጸለ ዕጽዋን ልዕሊ 17 ኣዋርሕ ዘቝጸረ ኲናትን ሕሙማት መንሽሮ ካብቶም ብኸቢዱ ዝተሃሰዩ ተሓከምቲ'ዮም። ካብ ምጅማር እቲ ኲናት ኣትሒዙ፡ 1643 ኣባጽሕን 126 ህጻናትን ተሓከምቲ መንሽሮ ናብቲ ሆስፒታል ከም ዝመጽኡ ዝጠቅስ ጸብጻብ ሆስፒታል ዓይደር፡ መብዛሕትኦም ሕሙማት ግን ብሰንኪ ጸገማት መጓዓዝያ፡ ገንዘብን ምቁራጽ ኣገልግሎት ቴሌፎንን ስሩዕ ሕክምና ንምርካብ ኣይመጽኡናን ይብል። \"70 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ'የን፤ ካብዚአን እተን 30 ሚእታዊት መንሽቶ ጡብ ኣለወን። መንሽሮ ጫፍ ማህጸን ካብ ዘለወን 126 ደቂ ኣንስትዮ እተን 15 ጥራይ ናይ መጀመርታ ደረጃ መጥባሕቲ ክግበረለን'ዩ፤ እተን ዝተረፋ 111 ግን ናይ ኬሞቴራፒ ሕክምና ብዘይምህላው ንኽሞታ ናብ ገዛአን ተላኢኸን ኣለዋ፡\" ይብል እቲ ሆስፒታል። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሓካይም ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ንቢቢሲ ከም ዝበልዎ፡ ካብ ናውቲ ላባራቶሪ ክሳብ መድሃኒት ኬሞቴራፒ ሕጽረት ብምህላው፡ ልዕሊ 1700 ሕሙማት መንሽሮ ንሓደጋ ሞት ተቓሊዖም ምህላዎም ገሊጾም ነይሮም። ቅድሚ ምጅማር እቲ ኲናት ዝነበረ ኣገልግሎት ኬሞቴራፒ ካብ 60 ክሳብ 70 ሚእታዊ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ልዕሊ 45 መድሃኒታት መንሽሮ ኣብ ፋርማሲ እቲ ሆስፒታል ከም ዝነበሩ ይግለጽ። ሕጂ ዘሎ ኣገልግሎት ኬሞቴራፒ ግን ትሕቲ 10 ሚእታዊት ኮይኑ፡ ሰለስተ ዓይነት መድሃኒታት ጥራይ ከም ዘለው ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝወጽአ ጸብጻብ ክፍሊ ሕክምና መንሽሮ እቲ ሆስፒታል የመልክት። ከም ውጽኢቱ ድማ መዓልቱ ዘሕለፈ ኣፋውስ ብምሃብ፡ ንሱ'ውን እናጸንቀቑ ከም ዝመጽኡ ክኢላ ሕክምና መንሽሮን ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ መጽናዕቲ መንሽሮ [ኦንኮሎጂ] ዓይደር ዶክተር ክብሮም ሕሉፍ የረድእ። \"ኬሞቴራፒ ምሉእ ንምሉእ ተቛሪጹ'ዩ፤ መድሃኒታት መንሽሮ ከበድቲ እዮም። ንኣብነት፡ ኬሞቴራፒ ዝወስድ ተሓካሚ ናይ ተምላስ ሽግር ክህልዎ ስለ ዝኽእል፡ ነዚ ዝወሃብ መድሃኒት ነይሩ፤ ንሱ'ውን የለን። ብግሉኮዝ መልክዕ ዝውሰዱ መድሃኒታት የለውን። ኣብ ደገ ብኽባር ዋጋ ይርከብ'ዩ፤ ግን ኣገልግሎት ባንኪ ስለዘየለ ተሓከምቲ ገንዘብ የብሎምን። መብዛሕትኦም፡ የለን ኢልና ንመልሶም። ናይ ምጽንናዕ ስራሕ እምበር ናይ ሕክምና ስራሕ ኣይኮንናን ንሰርሕ ዘለና\" ኢሉ። ሕሙማት መንሽሮ መዓንጣ ምሉእ ንምሉእ ሕክምና ከም ዘቋረጹ ክገልጽ እንከሎ፡ ብጠቕላላ ኵሎም ብመንሽሮ ዝተጠቕዑ ተሓከምትና ኣብ ከቢድ ሽግር እዮም ዝርከቡ ብምባል፡ ዝበዝሑ ሰባት ብመንሽሮ ጡብን መዓንጣን ዝሓመሙ ከም ዝኾኑ ገሊጹ። \"እዞም ተሓከምቲ ዝወስድዎም ዝተፈላለዩ መድሃኒት ነይሮም፤ ብሰንኪ እቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ጸገም ግን ኣርባዕተ ዝወስዱ ዝነበሩ ሓንቲ ይወስዱ ኣለው። መዓልቱ ዝሓለፎ መድሃኒት ክንህቦም ጸኒሕና፤ ሕዚ ግን ንሱ'ውን ኣቋሪጽናዮ። ዝተጓደለ ሕክምና ኢና ንህብ ዘለና፡\" ኢሉ። ኣብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት 2022፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንፈለማ እዋን ኣንቲባዮቲክስ፣ መድሃኒት ዓሶን ሽኮርን ከምኡ'ውን መድሃኒታት ከቢድ ሕጽረት መግቢ ዝርከቦም ሕክምናዊ ቀረባት ናብ ትግራይ ከእቱ ፍቓድ ረኺበ ኢሉ ነይሩ። እንተኾነ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ እቶም እታወታት ናብቲ ዝድለ ከብጽሖም ከም ዘይከኣለ ገሊጹ። ብዝሒ ናብቲ ክልል ዝኣተው ኣፋውስ ግዜ ንዘይህቡ ወይ ብረኽሲ ዝመጽኡ ሕማማት መከላኸሊ ዝኾኑ እምበር፡ ንከም ሕማም መንሽሮ ዝበሉ ሕዱር ሕማማት ኣብ ግምት ዘእተው ኣይኮኑን ዝብል ዶክተር ክብሮም፡ ዝበዝሑ ዝኣተው ኣፋውስ ንዅሉ ሕብረተሰብ ይዅን ነዚ ሆስፒታል ግምት ዘእተው ኣይኮኑን ኢሉ። ብሰንኪ'ዚ፡ ኣብ ቀረባ ግዜያት ብዙሓት ተሓከምቲ መንሽሮ ስኢንና ኢና ዝብል እቲ ክኢላ፡ ንኽንስእኖም ኣብ ጫፍ ዘለው'ውን ብዙሓት'ዮም ክብል ስግኣቱ ይገልጽ። \"ህጹጽ ናይ ጨረር ሕክምና ዘድልዮም ኣለው። ኣስታት 500 ቀጻሊ ኬሞቴራፒ ክረኽቡ ዝግባኦም፣ ኣስታት 300 ህጹጽ ሕክምና ጨረር ዘድልዮም ኣለው። ስለዚ እዚኦም ንስእኖም ኣለና ማለት እዩ። ቴሌፎን'ውን ስለ ዘየለ፡ መድሃኒት የለን ዝበልናዮም ናብ ገዛኦም ምስ ከዱ ዝገጥሞም ኣይንፈልጥን ዘለና፡\" ይብል። ብፍላይ እቶም ካብ መቐለ ወጻኢ ዝሕከሙ ሰባት ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብን መጓዓዝያን ዳርጋ ናብ ሕክምና ምምጻእ ጠጠው ከም ዘበሉ ሓቢሩ። \"መንሽሮ ከቢድ ሕማም'ዩ። እቲ ሕማም ሒዝዎም ዝመጽኡ ጐናዊ ሳዕቤናት ብዙሓት'ዮም። ናብ ሞት ከብጽሕ ዝኽእልን ሕክምናኡ ከቢድን እዩ። ቅድሚ ሕዚ ሕክምና እናሃብና ተስፋ ኣለካ እዩ ንብል ነይርና፤ ሕዚ ግን ንሓደ ሕሙም፡ 'ሕማምካ እዚ'ዩ ግን መድሃኒት የለን' ምባል ከቢድ እዩ። \"ምንም ክገብር ኣይኽእልን ክትብሎ ከለኻ፡ ንዓይ ናይ ሞት ፍርዲ ምንጋር እዩ። ክጨንቀና እንከሎ ካብ ሓኪም ዘይጽበ ነገር ንብል፤ እስቲ ጸበል ትሓጺብኩም ፈትንዎ ኢልና ነፋንዎም፡\" ብምባል የረድእ። ሆስፒታል ዓይደር፡ እቶም ሕጂ ዘለውዎ ጸገማት እንተዘይተፈቲሖም፡ እቲ ሆስፒታል ንህጻናትን ኣባጽሕን ሕሙማት መንሽሮ ሕክምና ክህበሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ በጺሑ ኣብ ኣፍ \"ዕንወት\" ከም ዝርከብ ብምግላጽ ሚኒስትሪ ጥዕናን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ትዅረት ክገብርሉ ሓካይም ይምሕጸኑ። ኣብዚ ሰዓት ከም ናይ ባህሊ ሓኪም ጸበል ፈትን ክንብል ጀሚርና ኢና ዝብል ዶክተር ክብሮም፡ እቲ ሆስፒታል ብዘለውዎ ተደራረብቲ ጸገማት ኣብ ምዕጻው ደረጃ በጺሑ ብምህላው፡ ሕሙም ዘይሕከመሉ ዓዲ ከይኸውን እየ ዝሰግእ ክብል ዶክተር ክብሮም ሻቕሎቱ ገሊጹ። \"መዐገሲ ቃንዛ'ውን'ዩ ተሳኢኑ ዘሎ። ሓደ ሰብ የምልሰኒ ኣሎ ኢሉናስ ነዚኣ'ውን ኢና መድሃኒት ስኢንናላ። እቲ ሆስፒታል ኣብ ደረጃ ምዕጻው እዩ ዘሎ፤ እዚ ማለት ሰኣን ሕክምና ትውልዲ ምብራስ'ዩ፤ ህዝቢ ከይበርስ እዩ ዝዓበየ ስግኣትና፡\" ኢሉ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን \"ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት\" ከም ዝገበሩ ድሕሪ ምእዋጆም፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ረድኤት ዝጸዓና መካይን ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ቀይሕ መስቀልን ናብ መቐለ ኣትየን እየን። ይዅን'ምበር፡ እቲ ምቁራጽ ተጻብኦ ጭቡጥ ውጽኢት ከርኢ ይዅን ኣብቲ ክልል ዝተቛረጹ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ቴሌፎን፡ ኢንተርነት፡ ባንክን መጓዓዝን ናብ ንቡር ክምለሱ ኣይተራእየን። \"ብዙሕ ዝርአየና የለን፤ ዝበርህ መብራህቲ የለን። ጽልምትምት ዝበለ'ዩ፤ ተኣምር ተፈጢሩ ነገራት ክቕየር እንተዘይክኢሉ፡ ተስፋ ኣሎ ንምባል ይኸብደኒ'ዩ፡\" ዝብል ዶክተር ክብሮም፡ እቶም ጸገማት ብቕልጡፍ ንኽፍትሑ ጻዕሪ ክግበር ሓቲቱ።","category":"መንሸሮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61369606"} {"headline":"ንሓወልቲ ኣመሪካዊ ጀነራል ሮበርት ዝትክእ ሓወልቲ ዝስረሓላ ዘላ ጸላም ኣመሪካዊት መን እያ?","content":"ኣብ ሮኣኖክ፡ ቨርጂንያ፡ ሓንቲ ጸላም ኣመሪካዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብቲ ካብ 1960 ኣትሒዙ ሓወልቲ ጀነራል ሮበርት ኢ ሊ ዝነበረሉ ቦታ ሓወልቲ ከም ዝትከለላ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ገሊጾም። እዛ ኣብ ሜሪላንድ ትነበር ዝነበረት ድኻ ጸላም ኣመሪካዊት ሄንሪታ ላክስ ዓቐኑ ክንዲ እቲ ዝነበራ ሰብነት ዝኸውን ካብ ነሓስ ዝተሰርሐ ሓወልቲ ክትከለላ ውጥን ተታሒዙ ኣሎ። ስድራቤት ሄንሪታ፡ ነቲ ውጥን \"ክብሪ\" ከም ዝኾነ ገሊጾም። ቅድሚ 70 ዓመታት ብዘይ ፍቓዳ ዝተወስዱ ዋህዮታት ህይወት ሚልዮናት ሰባት ንምድሓን ሓጊዞም’ዮም። ሄንሪታ ​​ላክስ፡ ኣብ 1951 ንሞት ዘሳጥሕ ሕማም መንሽሮ ሓሚማ ሕክምና ኣብ እትገብረሉ ዝነበረ እዋን ሓካይም ፍቓዳ ከይሓተቱ ዋህዮታታ ወሲዶም። ዋህዮታት መንሽሮ ሄንሪታ ላክስ ካብ ኣካላት ወዲ ሰብ ወጻኢ ንፈለማ እዋን ክሎን ተገይሮም፡ እቲ ታሪኻዊ ስርሒት ንማእለያ ዘይብሉ ሕክምናዊ ፍወሳታት መንገዲ ከፊቱ። ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ንሄንሪታ ​​ላክስ፡ \"ኣደ ዘመናዊ ሕክምና\" ዝብል መጸውዒ ሂቦምዋ። እቲ ሓንቲ ኣብ ሕርሻ ትምባኾ ትሰርሕ ዝነበረት ኣፍሪቃዊት ኣመሪካዊት ጓል ኣንስተይቲ ብዘይፍላጥ ንባዮሜዲሲን (ሓካይምን ካልኦት ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን ምልክታትን ሕማማትን መድሃኒት፡ ጨረርታ ወይ መጥባሕቲ ተጠቒሞም ዝሕክሙሉ ስርዓት) ከመይ ገይራ ከም ዝቐየረቶ ዝገልጽ ዛንታ፡ ተፈላጥነት ዝረኸበ ‘ዘ ኢሞርታል ላይፍ ኦፍ ሄንሪታ ላክስ’ ዘርእስታ ብብዝሒ ዝተሸጠት መጽሓፍ ኣብ 2010 ምስ ተሓተመት እዩ። ደቃ ግን እቶም ዋህዮታት ብዘይ ፍቓዳ ወይ ብዘይ ዝኾነ ካሕሳ ከም ዝተወሰዱ ብምግላጽ ኣዲኦም ኣፍልጦ ንኽትረከብ ንዓሰርተታት ዓመታት ክቃለሱ ከም ዘሕለፉን ይዛረቡ። ሮኣኖክ ሂደን ሂስቶሪስ ዝተባህለ ኣበርክቶ ኣፍሪቃውያን ኣሜሪካውያን ንምዕባይ ዝዓለመን ንመኽሰብ ዘይሰርሕን ትካል፡ ነቲ ሓወልቲ ንምህናጽ ልዕሊ 180 ሽሕ ዶላር ክእከብ ሓጊዙ። ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ላክስ ፕላዛ ተባሂሉ ዝተሰየመ ቦታ፡ ኣብቲ ሓወልቲ ናይቲ ናይ ኮንፈደረሽን ጀነራል ዝነበረሉ ቦታ ክተክል እዩ። ሓወልቲ ጀነራል ሮበርት፡ ኣብ 2020 ኣብ ዝተኻየደ ‘ጸሊም ህይወት ኣገዳሲ’ዩ’ ዝብል ተቓውሞ ከም ዝፈረሰ ይፍለጥ። ንኣበርክቶ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ብዘኽብር ሓወልቲ ክትካእ ጻውዒት ድሕሪ ምቐራቡ፡ ቀራጺ ላሪ ቤክተል ናይ ሄንሪታ ላክስ ሓወልቲ ክቐርጽ ተመዊሉ። ወዲ ወዳ ዝኾነ ሮን ላክስ፡ \"እዚ ንስድራይ ብዙሕ ትርጉም ኣለዎ\" ክብል ኣብቲ ንውጥን እቲ ሓወልቲ ንምግላጽ ዝተዳለወ ስነስርዓት ገሊጹ። \"ኣቦይ ናይ መወዳእታ ብህይወት ዘሎ ዘመድ ሄንሪታ'ዩ... ዛንታኣ ክነግርን ንዓለም ከካፍልን ብንብዓትን ብቃንዛን ተቓሊሱ'ዩ።\" ብ1951 ኣብ ባልቲሞር፡ ሜሪላንድ እትነብር ዝነበረት ሄንሪታ ላክስ እትበሃል መንእሰይ ጸላም ኣደ፡ ኣብ ከብዳ ቃንዛን ዘይንቡር ምፍሳስ ደምን ክስምዓ ጀመረ። ኣብ ሆስፒታል ጆንስ ሆፕኪንስ መርመራ ዝገበሩላ ሓካይም ማህጸን፡ ኣብ ማህጸና ድማ ዓቢ ኵምራ ከም ዘሎ ፈሊጦም። ሓካይም ከይሓበርዋን ፍቓዳ ከይሓተቱን፡ ንሕክምናዊ መጽናዕቲ ዝኸውን ናሙና ሕበጥ ናብ ቤተ-ፈተነ ሰዲዶም። ብመሰረት ጸሓፍቲ ታሪኽ ጆንስ ሆፕኪንስ፡ ኣብቲ እዋን፡ ንዝያዳ ሕክምናዊ ምርምር ካብ ሕሙማት ናሙናታት ምውሳድ ልሙድ ተግባር እዩ ነይሩ። ዋህዮታት ሄንሪታ ላክስ ግን ሕክምናዊ ተኣምር ምዃኑ ተረጋጊጹ። ዳርጋ ኩሎም ዋህዮታት ኣብ ቤተ-ፈተነ ብቕልጡፍ’ኳ እንተሞቱ፡ እቶም ዋህዮታት ግን ምብዛሖም ቀጺሎም፡ ኣይኣረጉን'ውን ነይሮም፤ እዚ ድማ \"ዘይሞቱ\" ገይርዎም። ካብ ቀዳማይን መወዳእታን ስም ሄንሪታ ላክስ ብዝተወስዱ ቃላት \"ሄላ\" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘርኢ ዋህዮ፡ ኣብ መላእ ዓለም ናብ ዝርከባ ቤተ-ፈተነታት ምርምር ተላኢኹ። ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዋህዮታት ሄላ፡ ክታበት ፖልዮ ንምፍጣርን ኣብ ምርምር ኤችኣይቪ፡ መንሽሮን መኻንነትን ምዕባለታት ከም ዘርኣዩ ይፍለጥ። ነቶም ዋህዮታት ሳይንሳዊ ተኣምር ዝገበሩ ባህርያት ግን፡ ቀተልቲ እውን ገይርዎም’ዩ። ሄንሪታ ላክስ ንኣዋርሕ መርመራ ድሕሪ ምግባር፡ ኣብ 31 ዓመታ ብሕማም መንሽሮ ካብዛ ዓለም ተፈልያ። ስድራኣ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ዋህዮታታ ከም ዝተወስዱ ከም ዘይተሓበሮምን፡ እታ ጸላም ሰበይቲ ድኻ ስለዝነበረት ዋህዮታት ኣዲኦም \"ዝሰረቐ\" ስርዓት ንክመሓየሽ ክቃለሱ ዓመታት ከም ዘሕለፉን ይገልጹ። እቲ ሄንሪታ ላክስ ዘኽብር ሓወልቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ክትከል ትጽቢት ይግበር። ጠበቓ ስድራቤት ሄንሪታ፡ ቤን ክራምፕ፡ ሓወልቲ ከተማ ሮኣኖክ \"ታሪኻዊ ጌጋ ምእራም\" ምዃኑ ገሊጹ። \"ሎሚ ኣብዚ ኣብ ሮኣኖክ ቨርጂንያ ኣብ ላክስ ፕላዛ፡ [ሄንሪታ] ትርጉም ዘለዋ ጥራይ ዘይኮነትስ... ከም ሎሚ ኣብ ዓለም ዘሎ ዝኾነ ታሪኻዊ ሰብ ኣገዳሲት ምዃና ንኣምን።\" ዓለማዊ ሕድሪ ሄንሪታ ላክስ ንምምስካር፡ ዩኒቨርሲቲ ብሪስቶል ዓዲ እንግሊዝ ዝሓለፈ ዓመት ሓወልቲ ተኺሉላ’ዩ - እቲ ሓወልቲ ብጸላም ሰበይቲ ዝተሰርሐ ፈላማይ ህዝባዊ ሓወልቲ ጸላም ሰበይቲ እዩ። ምሉእ ስሙ ሮበርት ኤድዋርድ ሊ እዩ፡ ንሱ ኣብ 1807 ተወሊዱ ኣብ 1870 ዝዓረፈ ኮይኑ ኣብቲ ኲናት ሓድሕድ ኣመሪካ ልዑል ተራ ዝተጻወተ ጀነራል ነይሩ። ሮበርት ኢ ሊ፡ ኣብ መጀመርታ ኲናት ሓድሕድ ኣመሪካ መራሒ ሰራዊት ሰሜናዊ ቨርጂንያ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣዛዚ ኹሎም ሰራዊት ኮንፈደረሽን ኮይኑ። ከም ወተሃደራዊ መራሒ ናይቲ ዝተሳዕረ ሰራዊት ኮንፈደረሽን፡ ሮበርት ኢ ሊ ምልክት ደቡባዊ ኣመሪካ ኮይኑ። ንሱ፡ ኣባል ናይቲ ባሮት ዝሓዙ ምሩጻት ስርዓት ብምንባሩ፡ ስርዓት ባርነት ኣብ መንጎ ዓሌታት ስርዓት ንምሕላው ኣድላዪ ከም ዝኾነ ይኣምን። ኣብቶም ነዚ ዝቃወሙን ባርነት ክጠፍእ ዝህንቀዉ ዝነበሩን ሰሜናውያን ድማ ጽልኢት ነይርዎ። ኣብ ታሕሳስ 1856 ብዛዕባ እቲ ኣርእስቲ ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ \"ባርነት ከም ትካል፡ \"ኣብ ዝኾነት ሃገር ሞራላዊን ፖለቲካዊን ሕሰም እዩ። ብዛዕባ ጉድለታቱ ምግፋሕ ፋይዳ የብሉን” ኢሉ። ግን ባርነት፡ ካብ ኣብ ጸለምቲ ንላዕሊ ኣብ ጸዓዱ ሕሰም ኣለዎ ዝብል እምነት ነይርዎ።","category":"መንሸሮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c51ky6devm4o"} {"headline":"ደቂ ተባዕትዮ፡ ጸለምትን ደቀ-40ን ክፈልጥዎ ዝግባእ ዓይነት መንሽሮ","content":"ብዙሓት፡ ንፕሮስተይት ኣብ ከባቢ ክልቲኡ ፍረ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ወይ’ውን ኣብ ውሽጢ ከረጺት ፍረ ዘርኢ ዘሎ ኣካል ከም ዝዀነ እዮም ዝርድእዎ። ክኢላ መጥባሕቲ ኩሊትን ፕሮስተይት ከረጺትን ቱቦ ሽንቲን ዶክተር ፍጹም ሰሎሞን ግን፡ ፕሮስቴት ኣብ ትሕቲ ከረጺት ሽንቲ ዝርከብ፡ ፈሳሲ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ዘመንጩ ኣካል ምዃኑ ይሕብር። ኣስታት 70 ሚእታዊት እቲ ዝፈስስ ዘርኢ ከኣ ካብ ፕሮስተይት  ከም ዝምንጩ እቲ ክኢላ የብርህ። ብተወሳኺ፡ ፕሮስተይት፡ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ (ስፐርም) መግቢ ዝረኽበሉን ዝሕምብሰሉን ፈሳሲ’ውን  እዩ። ስለ ዝኾነ ጸገም ፕሮስተይት ዘለዎ ወዲ ተባዕታይ፡ እቲ ዘርኡ ኣብ ክንዲ ንግዳም ናብቲ ከረጺት’ዩ ዝምለስ። ስለዚ፡ እቲ ፕሮስተይት ዝበሃል ባእታ፡ እቲ ዘርኢ ናብቲ ከረጺት ንኸይምለስን ናብ ደገ ንክፈስስን  ከም ዝሕግዝ ዶክተር ፍጹም የረድእ። መንሽሮ ፕሮስተይት መንሽሮ ማለት ገለ ካብ ዋህዮታት ሰውነት ካብ ንቡር ወጻኢ ምስ ዝዓብዩን ምስ ዝላብዑን ዝፍጠር ሕማም ምዃኑ ዶክተር ፍጹም ይገልጽ። ሰብነትና ብትሪልዮናት ዝዀኑ ዋህዮታት ዝቘመ ስለ ዝኾነ ኣብ ኵሉ ክፋል ኣካላትና መንሽሮ ክህሉ ይኽእል እዩ። ፕሮስቴት ድማ ካብ ክፍሊ ኣካላትና ሓደ ስለ ዝዀነ፡ ንመንሽሮ ክቃላዕ ተኽእሎ ኣሎ። ዓለማዊ ሕክምናዊ ጸብጻባት ከም ዘረድእዎ ከኣ ካብ ሸሞንተ ደቂ ተባዕትዮ እቲ ሓደ ብመንሽሮ ፕሮስተይት ይትሓዝ። ፕሮስተይት፡ ኣብ ኵሎም መጥበውቲ  እንስሳት ዝርከብ ባእታ እዩ። ይዅን እምበር ፕሮስተይት መንሽሮ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሰብን ኣኽላባትን ጥራይ እዩ ተራእዩ። 80 ሚእታዊት መንሽሮ ፕሮስተት፡ ቀስ እናበለ ዝዓብን ቃንዛ ከየስዓበ ንነዊሕ እዋን ክጸንሕ ዝኽእልን እዩ። ደቂ ሰባት ብዕድመ እናደፍኡ ምስ ዝኸዱ ንሕማም መንሽሮ ይቃልዑ። ብፍላይ ልዕሊ 50ን ጸለምትን ደቂ ተባዕትዮን ከኣ ብዝያዳ በቲ ሕማም ይጥቅዑ። ዝኾነ ካብ ወለዶም በቲ ሕማም ዝተጠቕዐ እንተነይሩ ከአ እቲ ሕማም ከም ብዙሕ ካልእ ሕማማት ብተወርሶ እውን ክሰጋገር ይኽእል እዩ። ኣቦኡ ወይ ሓው በዚ መንሽሮ ዝሓመምዎ ሰብ፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ዕጽፊ ተኽእሎታ ምቅላዕ በዚ ሕማም ክህልዎ ከምዝኽእል ዶክተር ፍጹም ይዛረብ። ተመራመርቲ ዓዲ እንግሊዝ፡ ልዕሊ 40 ዓመት ዝዕድመኦም ደቂ ተባዕትዮ ዓመታዊ ቅድመ መርመራ ክገብሩ ይምዕዱ። ዶክተር ፍጹም እውን ብወገኑ፡ መንሽሮ ፕሮስተይት ትሕቲ 40 ዓመት ኣብ ዝዀኑ ሰባት ናይ ምርካብ ዕድሉ ኣዝዩ ትሑት ምዃኑ ይዛረብ። ዕድመኦም ካብ 20 ክሳብ 30 ዝዀኑ ደቂ ተባዕትዮ በዚ መንሽሮ ናይ ምትሓዝ ዕድሎም ሓደ ሚእታዊት ጥራይ እዩ። ልዕሊ 90 ሚእታዊት እዚ መንሽሮ ዕድመኦም ልዕሊ 50 ኣብ ዝዀኑ ደቂ ተባዕትዮ ዘጋጥም ምዃኑ ዶክተር ፍጹም ሓቢሩ። ምስ ጸዓዱ ብምንጽጻር ግን ኣፍሪቃውያን በዚ መንሽሮ ናይ ምትሓዝ ዕድሎም ዝለዓለ እዩ። ኣብ ትሕቲ 65 ዓመት ዕድመኡ ፕሮስተይት መንሽሮ ዝተረኽቦ ኣቦ፡ ውላዱ በቲ ሕማም ናይ ምጥቃዕ ዕድሉ ልዕሊ ሓሙሽተ ዕጽፊ ክኸውን ከምዝኽእል ዶክተር ፍጹም የረድእ። ናይ ጀኔቲክ ምቅይያር ጸገም እንተሃልዩ ከኣ ደቂ ተባዕትዮ ብዝያዳ ይቃልዑ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ መንሽሮ ኣብቲ ዝብገሰሉ ከባቢ ዘለው ዋህዮታት ልዕሊ ዓቐን ክባዝሑን ናብ ካልእ ቦታ ክዝርግሑን እንከለው እዩ ጸገማት ዝፈጥር። መንሽሮ ፕሮስተይት ከኣ፡ ኣብ እዋኑ ሕክምና እንተዘይረኺቡ ንከረጺት ሽንቲ ክደፍኖ ይኽእል እዩ። ሕበጥ ፕሮስቴት ምስ ተባዝሐ፡ ኣብ ከባቢ ፕሮስተይት ናብ ዘለው ቱቦታት ሽንትን ከረጺትን ይዝርጋሕ። ካብኡ ሓሊፉ ናብ ሰራውር ደም ክኸይድ ይኽእል። ናብ ደም ምስ ኣተወ ከኣ ናብ ሑቘ፡ ዕትብቲ ዓንዲ ሑቘን ከብድን ናብ ዘለው ቦታታት የስፍሕ። ብኸመይከ ንከላኸሎ? ስርዓት ኣመጋግባኻ ምምሕያሽ ቀንዲ መፍትሒ እዩ። ኣሕምልትን ፍረታትን ዝበዝሖ፡ ዓሳ፡ ዘይቲ ዓሳ፡ ኦሊቭ ኦይል ዘለዎም መግብታት ምምጋብ ነዚ ሕማም ክከላኸሎ ይኽአል። ብተወሳኺ ቀጠልያ ሻሂን ቫይታሚን-ዲ ን ምጥቃም፡ ነዚ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ሓፍ ከም ዘብልዎ ሰብ ሞያ ይገልጹ። ምልክታት ፕሮስቴት መንሽሮ ቅድመ ምክልኻል መንሽሮ ፕሮስተይት መብዛሕትኡ ግዜ ቀስ ኢሉ ስለዝዓቢ ብፍላይ ቤተ ሰቦም ናይ ሕማም መንሽሮ ታሪኽ ዘለዎም ሰባት፡ ብውሑዱ ደቂ 40 ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን እንተወሓደ ኣብ ዓመት ወይ ክልተ ዓመት ኣቐዲሞም መርመራ ክገብሩ ይምከር። በዚ መሰረት ሓደ ሰብ፡ ዕድመኡ ካብ 50 ክሳብ 55 ክበጽሕ እንከሎ መርመራ ክገብር ከም ዝግባእ ዶክተር ፍጹም ይዛረብ። ፕሮስተይት መንሽሮ ብመጥባሕትን ብጨረርታ ሕክምና ክፍወስ ይከኣል። ንሕማም መንሽሮ ፕሮስተይት ንምፍዋስ፡ ሓካይም መጥባሕቲ፡ ክኢላታት ሽንቲ፡ ክኢላታት ስነ-መንሽሮ፡ ነርሳት ራድዮቴራፒን ብሓባር ተኣኪቦም ነቲ ሕሙም ዝሓይሽን ዝጠቅምን ዝብልዎ ይውስኑ።","category":"መንሸሮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cx9yllppwqgo"} {"headline":"ማላውያን ብሞት ቀዳማዊት እመቤት ነበር ኣን ቺድዚራ ሙሉዚ ሓዘኖም ይገልጹ'ለዉ","content":"ኣብ ማላዊ ንፈለማ እዋን፡ \"ቀዳማዊት እመቤት\" ዝብል መዓርግ ዝረኸበት ወይዘሮ ኣን ቺድዚራ ሙሉዚ፡ ኣብ 69 ዓመታ ዓሪፋ። ፕረዚደንት ማላዊ \"ንነብሳ ወጺዓ ሰባት እተኽብር ትሕትን ብልጽትን\" ክብል ገሊጹዋ። እታ ኣብ ማላዊ ብልዑል ኣኽብሮት እትርአ ኣን ቺድዚራ ሙሉዚ፡ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ናይ ውልቀ ሆስፒታል እያ ብሕማም መንሽሮ ሞይታ። በዓል ቤታ ባኪሊ ሙሉዚ ኣብ 1994 ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይኑ ምስተመርጸ እያ ቀዳማዊት እመቤት ማላዊ ኮይና። እቲ ካብ ናጽነት ማላዊ ኣትሒዙ ስልጣን ሒዙ ዝነበረ ቅድሚኡ ዝነበረ ፕረዚደንት ሃስቲስ ካሙዙ ባንዳ ብወግዒ ኣይተመርዓወን ነይሩ ። ሚስተር ባንዳ ምስታ \"ወግዓዊ ተቐባሊት ጋሻ\" ዝብል መዓርግ ዝሃባ ሰሲልያ ካድዛሚራ ዝስማ ጸሓፊቱ እዩ ዝነብር ነይሩ። እዚ ናይ ሕጂ ፕረዚደንት ማላዊ ኣልኣዛር ቻክወራ ብዛዕባ ሞት እታ ቀዳማዊት እመቤት ምስ ፈለጠ ኣዝዩ ከምዝሰንበደ ተገሊጹ። \"ማላዉያን ንማዳም ቺድዚራ ሙሉዚ ጥቕሚ ገዛእ ርእሳ ዘይትደሊ ንህዝቢ ብትግሃት እተገልግል ትሕትን ሓላዪትን ሰብ ገይሮም እናዘከርዋ ክነብሩ እዮም\" ኢሉ። ኣብቲ ናይ ሓዘን መግለጺ፡ ምክትል ፕረዚደንት ሳውሎስ ክላውስ ቺሊማ፡ እታ ቀዳማዊት እምቤት በቲ ንህዝቢ ክትሕግዘሉ ዘቖመቶ \"ትካል ናጽነት\" ብኣሽሓት ንዝቝጸሩ ስኡናትን መሳኪን ቈልዑን ከም ዝሓገዘት መስኪሩ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ \"እታ ሰናይ ልቢ ህርመታ ኣቋሪጻ፡ እታ ሰናይ ነፍሲ ከኣ ናብ ሰማይ ዓሪጋ\" ክብል ሓዘኑ ገሊጹ። መንግስቲ፡ ብዛዕባ ብዛዕባ ምምላስ ሬሳኣ ካብ ኬንያን ሰነ-ስርዓት ቀብርን ብዝምልከት ገና ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን። ወ\/ሮ ሙሉዚ ግንባር ዲሞክራስያዊ ሕብረት ንእተሰምየ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዝመርሕ አቱፔለ ሙሉዚ እተባህለ ሓደ ውላድ ኣለዋ። ንሳ ምስ በዓል ቤታ ብ1999 ተፈላልያ፤ ንሱ ከኣ ክሳዕ 2004 ፕረዚደንት ኰይኑ ኣገልጊሉ።","category":"መንሸሮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59752519"} {"headline":"ወዶም ብሓድሽ ኣገባብ ኣፋውሳ መንሽሮ ሓንጎል ክድሕን ተስፋ ጌሮም ዘለው ወለዲ","content":"ወዲ 10 ዓመት ሉካስ፡ ካብ ኣዋርሕ ዘይበዝሕ ዕድመ ተሪፍዎ ከምዘሎ ሓካይም ክነግርዎ እንከለው ወለዱ፡ ወዶም ሓድሽ ኣገባብ ሕክምና መንሽሮ ክረክብ ብልዑል ተስፋ ይጽበዩ ኣለው። ብሪጣንያዊ ሉካስ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ሓደ ሰሙን ቅድሚ 10ይ ዓመቱ ምኽባሩ እዩ መንሽሮ ሓንጎል ከምዘለዎ ተረጋጊጹ። ኣቦኡ ጄሚ፡ ወዱ ኣብ ኣሜሪካ ንፈተነ ሓድሽ ሕክምና ቅቡል ኮይኑ ከምዘሎ ሓቢሩ። ሉካስ ዲኣይፒጂ ዝበሃል ሕማም ከምዝሓመመ ምስ ተረጋገጸ ‘ፋንዲን ኒውሮ’ ዝተባሃለ መትናዊ ጸገማት ንዘጋጠሞም ሰባት ዝሕግዝ ትካል ግብረሰናይ፡ ነታ ስድራ ምስታ ነቲ ሓድሽ ኣፋውሳ ተማዕብል ዘላ ትካል ከምዘራኸባ’ውን ጄሚ ይገልጽ። “ሕክምና ‘ራድዮተራፒ’ ምስ ገበረ ካብ ክልተ ክሳዕ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ዘሎ ግዜ ከምዝመውት እዮም ሓካይም ነጊሮምና። “እዚ ንኣና እንታይ ማለት ምዃኑ ይርድኣኩም ይኸውን። ዝኾነ ነገር እንተዘይጌርን ናብ ምንታይ ገጹ ከምዝምዕብል ንፈልጥ ኢና። ኣሜሪካውያን ሓካይም ኣሜሪካ ኣብ ዝመጽእ ሰለስተ ሰሙናት ተወሳኺ ኤምኣርኣይ ክንገብርን እቲ ቱመር ናብ ዓንዲ ሕቖኡ ተዘርጊሑ ዘይምዃኑ ክነረጋግጽን ሓቲቶምና ኣለው። “እቲ ውጽኢት ከምኡ እንተኾይኑ፡ ናብ ኣሜሪካ ክንጓዓዝ ፍቓድ ክንረክብ ንትስፎ” ኢሉ። እቲ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝርከብ ሓደ ሆስፒታል ዝግበር ፈተነ፡ ንዋህዮታት መንሽሮ ዝስሕብ ትሕዝቶ ብዘለዎ መድሃኒት እዩ ክካየድ። ዝተወሰነ ድግምጋም ናይ ኣልትራሳውንድ ብምጥቃም ከኣ ነቶም ዋህዮታት ምቕታል ከምዝከኣል ተስፋ ተጌሩሉ ኣሎ። እቲ ፈተነ ሰለስተ ወርሒ ዝወስድ ኮይኑ፡ ወጻኢታቱ ወላ’ኳ በቲ ናይ መድሃኒት ትካል እንተተሸፈነ፡ እታ ስድራ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ እትጸንሓሉ እዋንን ንካልእ ወጻኢታት መነባብሮ መሸፈኒ ዝኸውን ገንዘብ ንምርካብ ካብ ህዝቢ ሓገዝ ሓቲታ ኣላ። ዋና ኣካያዲ ስራሕ ‘ፋንዲን ኒውሮ’ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ “ሕክምናዊ ፈተነታት፡ እቲ ኣገባብ ዝሰርሕን ዘይሰርሕን ምዃኑ ዝግበሩ እዮም” ኢሉ። “ኩሉ ሰብ ተስፋ ጌሩ ኣሎ። ግና እንታይ ከምዝኸውን ኣይንፈልጥን። ኣብዚ እዋን ግና ነታ ስድራ ተስፋ ኣስኒቑ ኣሎ። “ሉካስ ኣብኡ እትው ምስበለ ብቕልጡፍ ሕክምና ክገብሩሉ እዮም” ኢሉ። ንሱ ወሲኹ እቲ ትካል ግብረሰናይ፡ ፈተነታት እቲ ኣገባብ ሕክምና ኣብ ብሪጣንያ’ውን ክህሉ ፍቓድ ንምርካብ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ። ኣብዚ እዋን ንሉካስ ሕክምናዊ ክትትል ትገብረሉ ዘላ ሓኪም ሆስፒታል ዩኒቨርስቲ ኖቲንግሃም ዶክተር ሶፊ ዊልኒ “ዲኣይፒጂ ኣዝዩ ሓደገኛን ዘይፍወስን ቱመር እዩ ኢላ” ኣብ ብሪጣንያ ዓመታዊ ከባቢ 50 ቆልዑ እቲ ሕማም ከምዝርከቦም ብምግላጽ ከኣ ምርምራት ምክያድ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጻ።","category":"መንሸሮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cg3648xdgndo"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ 20 ኪሎ ዝምዘን ናይ ማህጸን ጥረ ብመጥባሕቲ ዝተገላገለት ኣደ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሓንቲ ኣደ ካብቲ ኣብ ማህጸና ዝነበረ ኣስታት 20 ኪሎ ዝምዘን ጥረ ብመጥባሕቲ ከም ዝተገላገለት ነቲ መጥባሕቲ ዘካየደ ዶ\/ር ኣብነት ኣዳነ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ኣደ ሽዱሽተ ቆልዑ ዝኾነት ወ\/ሮ ታገሰች ደሳለኝ፡ ብዝተገብረላ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ካብቲ ገዚፍ ጥረ ድሕሪ ምግልጋላ፡ ኣብ ጸቡቕ ኩነታት ጥዕና ከም እትርከብን ካብ ሆስፒታል ከም ዝተፋነወትን ንቢቢሲ ተዛሪባ። እዛ ኣብ ክልል ደቡብ፡ ቃጫቢራ ኣብ ዝብሃል ቁሸት እትነብር ኣደ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ሕማም ክስምዓ ምጅማሩ ትገልጽ። \"ከብደይ ይቐርጸኒ ነይሩ። ቅርጥማት'ውን ነይሩኒ። ከብደይ ይንፋሕን ይጎድልን ነይሩ። መሊሱ ድማ ይንፋሕ\" ብምባል ንዘሕለፈቶ ስቓይ ትዝክር። መጥባሕቲ ኣብ ዝገበረትሉ እዋን፡ ናይ 6 ወርሒ ጥንሲ ከምዝነበራ፡ ዶ\/ር ኣብነት ይገልጽ። \"[ናብ ሕክምና] ክትመጽእ እንከላ፡ ከተተንፍስን ቀኒዓ ክትከይድን ኣይትኽእልን'ያ ነይራ። ብድሕሪት ክልተ ወይ ሰለስተ ሰባት እናደገፍዋ'ያ ትንቀሳቐስ ነይራ። ስለዚ፡ ናብ ክፍሊ ህጹጽ ሓደጋታት ኣትያ፡ መጥባሕቲ ክትገብር ወሲንና\" ይብል እቲ ሓኪም። እቲ ጥረ ብኸመይ ተረኺቡ? ዶ\/ር ኣብነት፡ ኣብ ከተማ ዱራሜ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሓፈሻዊ መዘክር ዶ\/ር ቦጋለች ሓኪም ጥንስን ማህጸንን'ዩ። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ንሰለስተ ሰዓታት ብዝወሰደ መጥባሕቲ እቲ 20 ኪሎ ግራም ጥረ ካብ ማህጸን እታ ኣደ ምሉእ ብምሉእ ክወጽእ ከም ዝኸኣለ ተዛሪቡ። ፈለማ፡ ሕማም ጸላም ከብዲ ክኸውን ይኽእል'ዩ ተባሂሉ ነይሩ። እናበርትዓ ምስ መጽአ ግን ጥሩነሽ ቤጂንግ ተባሂሉ ናብ ዝጽዋዕ ሆስፒታል ኣምሪሓ። ብድሕሪኡ፡ እቲ ጥረ ከም ዘለዋን ክወጽእ ከም ዘለዎን ምስ ተነግራ ግን፡ ቀልጢፋ ፍቓደኛ ከም ዘይነበረት ምንኣሳ ሓዋ ይዝክር። ሽዑ ግን እቲ ጥረ ንእሽቶ'ዩ ነይሩ። እታ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ክግበረላ ዘይፈቐደት ኣደ ግን፡ ፈውሲ ንምንዳይ ናብ ቤተ-እምነት ምኻድ መሪጻ ነበረት። \"ክልተ ኪሎ ጥረ ምስ ወጽኣለይ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሰ ናብራይ ቀጺለ\" ትብል ወ\/ሮ ታገሰች። ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ጥንሲ ምስ ሓዘት ግን እቲ ሕማም ደጊሱዋ። ጥንሳ ክሳብ ኣርባዕተ ወርሒ ዝበጽሕ ዝስምዓ ሕማም ኣይነበረን። ድሕሪኡ ግን ከብዳ ክንፋሕ ጀሚሩ። \"ንርእሰይ ክቆጻጸር ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ\" ድማ ትብል። ዶ\/ር ኣብነት ከም ዝብሎ፡ ጠንቂ ናይቲ ሕማም እቲ ጥረ ምዃኑ ናይ ራድዮሎጂ መርመራ ምስ ተኻየደላ'ዩ ተፈሊጡ። ወ\/ሮ ታገሰች፡ ነዛ ምስትንፋስ ምስ ተጸገመት ግን፡ እቲ ጥረ ክወጸላ ናብ ሆስፒታል ክትከይድ ከም ዝተገደደት ኣረዲኡ። \"ምስ ቤተሰባ ተማኺርና። ምስ ሓሳብና ተሰማሚዖም። ብዝተሰማማዕናሉ መሰረት ድማ ኣፈሪምና'ያ። ምስ መጽአት ኣብ ናይ መጥባሕቲ ዓራት ምድቃሳ ከማን ኣይተኻእለናን ነይሩ። ኪኢላታት ነቲ ዓራት ንዓኣ ከም ዝሰማምዓ ገይሮም ድሕሪ ምትዕርራይዮም ኢና ናብ መጥባሕቲ ኣቲና\" ይብል እቲ ሓኪም። መስርሕ መጥባሕቲ ኣብ ሃዋሳ ኣብ ዝርከብ ሓፈሻዊ ፍሉይ (ስፔሻላይዝድ) ሆስፒታል ዝመሃር ዶ\/ር ኣብነት፡ ናብ ናይ ምህጸንን ጥንስን (መዋልዳን) ካብ ዝኣቱ ጌና ክልተ ዓመት ኣይመልኦን ዘሎ። እቲ ንወ\/ሮ ታገሰች ዘጋጠማ ዓይነት ሕማም ድማ ነቲ ሆስፒታልን ንዕኡን ሓድሽ ነገር ምዃኑ'ዩ ዝዛረብ። ጠንቂ ናይቲ ሕማም ናይ ማህጸን ጥረ ምዃኑ ብ'ኣልትራሳውን' ብንጹር ስለ ዘይተረጋገጸ፡ ብራድዮሎጂ ክረአ ኣለዎ ዝብል ኣማራጺ'ዩ ተወሲዱ። እንተኾነ፡ ኩነታታ ህጹጽ ብምንባሩ፡ ተቐላጢፎም ናብ መጥባሕቲ ክኣትዉ ከም ዝተገደዱ ዶ\/ር ኣብነት ይጠቅስ። \"ኩነታታ ግዜ ኣይሃበናን፡ ህጹጽ'ዩ ነይሩ። ኣዝያ ተዓፊና፡ ምስትንፋስ ስኢና። ኦክስጅን ተገይሩላ'ውን ከተተንፍስ ኣይክኣለትን\" ድማ ይብል። ወ\/ሮ ታገሰች፡ እቲ ሕማም ምስ በርትዓ \"ኣኸለ! ኣይመውትን እየ። ኣብዚ [መጥባሕቲ] ግበሩለይ\" ክትብል ነቶም ሓካይም ተማሕጺናቶም። ብድሕሪ'ዚ፡ ካብ ክፍሊታት መጥባሕቲ፡ ማህጸንን ጥንስን፡ ራድዮሎጂን ካልኦት ሰብሞያን ተኣኻኺቦም ነቲ መጥባሕቲ ኣካይዶሞ። \"ዝረኸብናዮ ዓቢ ጥረን ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ጥንስን'ዩ ነይሩ። ናይ ማህጸን ጥረ ናብ ካንሰር ስለ ዝቕየር፡ ኣስታት 20 ኪሎ ግራም ዝምዘን ምሉእ ጥረ ኣውጺእና። ኣብቲ ጥረ ዝነበረ ፈሳሲ፡ እቲ ጥንስን ማህጸናን ወጺኡ። ጥንሳ 650 ግራም እዩ\" ክብል እቲ ሓኪም ጠቒሱ። ዕድመ ወ\/ሮ ታገሰች ኣብ ግምት ብምእታው፡ ማህጸና ንሕማማት ክቃላዕ ስለ ዝኽእል፡ ክወጽእ ከም ዝተገብረ'ዩ ዶ\/ር ኣብነት ይዛረብ። \"ጥንሳ'ውን ዕብየት ናይቲ ጥረ ክውስኽ ገይሩ'ዩ። ይደፍኦ ነይሩ። ንኸብዳ ንላዕሊ ደፊኡ፡ ወጢሩ ስለ ዝሓዘ፡ ንሽዱሽተ ሳምንታት ኣይደቀሰትን። ድቃስ ዝብሃል ኣይነበራን\" ይብል። መጥባሕቲ ክጅምሩ እንከለዉ፡ መዓናጡ ወ\/ሮ ታገሰች ናብ ሕቖኣ ዘይሩ ስለ ዝነበረ፡ ኣይረአን'ዩ ነይሩ። እቲ ጥረ ድሕሪ ምውጽኡ ኸኣ፡ እቲ ዝነበራ ጥንስን ማህጸና ብዓቢኡን ከም ዝወጽእ ገይሮም። ድሕሪ መጥባሕቲ ን10 መዓልታት ኣብ ሆስፒታል ድሕሪ ምጽናሕ ድማ፡ ድሓን ምዃና ስለ ዝተረጋገጸ ናብ ቤታ ተፋንያ። 'ብእግራ እናተንቀሳቐሰት ናብ ቤታ ተመሊሳ' እታ መጥባሕቲ ቅድሚ ምግባራ ከተተንፍስ ይኹን ክትንቀሳቐስ ዘይክኣለት ኣደ፡ ብዝተገብረላ ሕክምና መስተርሆት ረኺባ'ያ። \"ምስ ጠነስኩ ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ከብደይ ተነፊሑ ነይሩ። ካብ ራብዓይ ክሳብ ሻዱሻይ ወርሒ ከቢድ ስቓይ እየ ኣሕሊፈ\" ትብል ወ\/ሮ ታገሰች። ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ኩነታት ጥዕንኣ ንምርግጋጽ፡ ናብ ዝተፈላለዩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ትካላት ሕክምናን መርመራን ከይዳ ነይራ። እንተኾነ ንነዊሕ እዋን ሕማማ እንታይ ምዃኑ ክፍለጥ ኣይተኻእለን ነይሩ። ምስተፈለጠ'ውን፡ ፈለማ ናብ ቤተ-እምነት ንምኻድ ከምዝ መረጽ'ዮም ቤተሰባ ዝዛረቡ። \"ናብ ቤተ-እምነት ምስ ከደት ክልተ ኪሎ ጥረ ስለ ዝወጸላ፡ ናብ መነባብሮኣ ተመሊሳ። ምስ ጠነሰት ግን እቲ ሕማም ተመሊሱዋ\" ይብል ንእሽቶ ሓዋ። ወ\/ሮ ታገሰች፡ ጥንስቲ ኣርባዕተ ወርሒ ምስ ኮነት፡ ሕማም በርቲዑዋ፡ ናብ ሕክምና ተመላሊሳ እያ። ኣብ መወዳእታ ግን፡ ካብቲ ኣብ ከባቢኣ ዝነበረ ቀዳማይ ደረጃ ሆስፒታል ናብ ዱራሜ ተሰጋጊራ። \"ቅድሚ ሕክምና ምርካበይ፡ ምድቃስን ምንቅስቓስን ኣይክእልን'የ ነይረ። ክልተ ሰባት ተሓጋጊዞም'ዮም ካብ ኮፍ ዝበልኩሉ ዘተንስኡኒ። ከብደይ ይቐርጸኒን ይንፋሕን ነይሩ። መግቢ ምብላዕ ገዲፈዮ\" ክትብል ንዘሕለፈቶ ጸገም ተዘንቱ። ድሕሪ'ቲ ዝተገብረላ መጥባሕቲ ግን ጥዕናኣ ናብ ንቡር ምምላሱ'ያ ትዛረብ። ኩነታታ ምሉእ ብምሉእ ክሳብ ዝረጋገጽ ግን ሕክምናዊ ክትትል ይግበረላ ምህላዉ ገሊጻ። \"ሕጂ ሕማም ዝብሃል የለን። ብሰላም እድቅስ ኣለኹ። ኩሉ ነገር ባዕለይ ክገብር ኪኢለ ኣለኹ\" ድማ ትብል። ዶ\/ር ኣብነት ብወገኑ፡ \"ብዘይ ዝኾነ ጸገም እናተንቀሳቐሰት፡ ምሳይ'ውን ስእሊ ተሳኢላ [ናብ ቤታ] ተመሊሳ። ኣተናፍስኣ ተመሊሱ፡ ቁስላ ሓውዩ፡ ጡጥ ተፈቲሑላ ከይዳ። ቤተሰባ'ውን ኣመስጊኖሙና እዩም\" ክብል ሓጎሱ ገሊጹ። ብድሕሪ ሕጂኸ እንታይ ይጽበያ? ወ\/ሮ ታገሰች ኣደ ኣርባዕተ ኣወዳትን ክልተ ኣዋልድን ኮይና፡ ኣላዪት ስድራ እያ። ብዓልቤታ ድማ፡ ኣብ ወንጪ ኣብ ዝርከብ ፋብሪካ ሽኮር ይሰርሕ ነይሩ። ንሳ ምስ ሓመመት ግን ስርሑ ከቋርጽ ተገዲዱ። ክልቲኦም ዕፉን ብምሻጥ'ዮም ዝናበሩ ነይሮም። ዶ\/ር ኣብነት ከም ዝበሎ ግን፡ ዋላ'ኳ ጥዕናኣ እንተተመልሰ፡ መርመራታት ክትቅጽል ኣለዋ። \"ካንሰር እንተኾይኑ ኬሞተራፒ፡ ናይ ጨረር [ራድየሽን} ሕክምና ወይ ሆርሞን ተራፒ ስለ ዘድሊ፡ ብዛዕባ ዝቕጽል ሕክምና ምስ ቤተሰባ ተዘራሪብና ኣለና\" ኢሉ። እቲ ዝተኻየደላ መጥባሕቲ እኹል ዝኾነሉ ወይ ካልእ ተወሳኺ ሕክምና ዘድልየሉ ኩነታት ክህሉ ከም ዝኽእል'ውን እቲ ሓኪም ኣሚቱ። ናይ ማህጸን ጥረ ምክልኻል ይክኣል'ዶ? ዶ\/ር ኣብነት ከም ዝብሎ፡ ዝበዝሓ ሕክምናዊ ክትትል ስለ ዘይገብራ፡ እቲ ጥረ ብንእሽትኡ ዝወጽኣሉ ደረጃ የሕልፍኦ። ብንእሽትኡ ክወጽእ ምስ ተባህላ ድማ ብዙሓት የዕጠይጥያ። ጥረ ማህጸን፡ ብወለዶ፣ ብምቅይያር ዋህዮታት ከምኡ'ውን ብኻልኦት ምኽንያታት ክኽሰት ይኽእል'ዩ። ብፍላይ ምስ ጥዕና ደቂ-ኣንስትዮ ብዝምልከት፡ \"ኩለን ደቂ-ኣንስትዮ ንጥረ ዝተቓልዓ ስለ ዝኾና 'ጥዕይቲ እየ' ከይበላ ኣብ 6 ወርሒ ወይ ዓመት ናብ ሓኪም ማህጸን ክኸዳ ኣለወን። ናይ 'ኣልትራሳውንድ መርመራ ክገብራን ምክትታል ክግበረለንን የድሊ\" ክብል ዶ\/ር ኣብነት ይምዕድ። እቲ ጥረ፡ ከም መንሽሮ ጫፍ ማህጸን ዘይረአ ሕቡእ ብምዃኑ፡ ናይ ምዕባይ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ሓካይም የረድኡ። ስለዚ ድማ'ዮም ቀጻሊ ምክትታል ምግባር ከም ዘድሊ ዝመኽሩ።","category":"መንሸሮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59748945"} {"headline":"ኣብ ኢስታንቡል ቱርኪ ክሕከም ዝጸንሐ ኤርትራዊ ዮናስ ጸጋይ ዓሪፉ","content":"ኣብ ኢስታንቡል ቱርኪ ክሕከም ዝጸንሐ ኤርትራዊ ዮናስ ጸጋይ ከምዝዓረፈን ሬስኡ ናብ ኤርትራ ትማሊ ከምዝኣተወን ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ። ኣቶ ዮናስ፡ ምስ ጻዓዱ ዋህዮታት ደም ምትሕሓዝ ብዘለዎ 'ሆድኪን ሊፎማ'  ዝተባህለ ዓይነት ሕማም'ዩ ተጠቒዑ ነይሩ። እቲ ሕማም ልዕሊ ዓቕሙ ምስ ኮነ ከኣ  ጸገሙን ወጽዕኡን ናብ  ህዝቢ ድሕሪ ምቕራቡ፡ብመንገዲ 'ጎ ፈንድ ሚ' (GoFundMe) ኣብ ሓጺር መዓልታት ልዕሊ 700,000 ዶላር ካናዳ  ተዋጺኡሉ። ብድሕሪኡ ዮናስ ናብ ቱርኪ መጺኡ ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ ብሓሙስ 22 መስከረም ከምዝዓረፈ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም። ኣቶ ዮናስ ኣቦ ሽዱሽተ ቖልዑን በዓል ሓዳርን ኮይኑ ኣብ ዞባ ደቡብ: ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ ዓዲ-ገዳ ኣብ እትበሃል ዓዲ’ዩ ዝነብር ነይሩ። ዮናስ ብመገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት “መን’ዶ ኣለኒ እዩ? ብምባል ሕማሙን ጸገሙን ምስ ነገረ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ኤርትዊ በብዓቕሙ ብምድጋፍ ኣብ ሓጺር መዓልታት ልዕሊ ትጽቢት ገንዘብ ከምዝተዋጽኣሉ እቶም ነቲ ዕማም ዘሰላስሉ ዝነበሩ ግዱሳት ኣብ ሰዓቱ ሓቢሮም ነይሮም። ዮናስ ንመገሽኡን ወጻኢታት ሕክምንኡን ዝሽፍን ገንዘብ ምስ ረኸበ፡ ብሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራን ክፍሊ ኢሜግሪሺንን ኣብ ሓጺር ግዜ ዘድልዮ ዘበለ ናይ መገሺ ሰነዳት ተዳልይሉ ንሕክምና ንኢስታንቡል ኣትዩ። እቶም ኣብ ኩነታት ጥዕንኡ ዝደጋገፉዎ ዝነበሩ ግዱሳት ዜጋታት ከኣ ኣብ ኢስታንቢል ኣትዩ ነቲ ኣብ ጸገሙ ኣለናልካ ዝበሎ ህዝቢ፡ ብናይ ቪድዮ መልእኽቲ የቐንየለይ እናበለ ዘርኢ ምስሊ ዘርጊሑ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ንጥዕንኡ ገንዘብ ዘዋጽአ ህዝቢ ከኣ ሓውዩ ናብ ደቁን ሓዳሩን ክምለስ ተመንይሉ ነይሩ። ብድሕሪኡ እውን ዮናስ ሕክምና ከምዝጀመረን ከምዝተመሓየሸን ዝገልጽ ሓበሬታ ወጺኡ ነይሩ። ብዙሓት ብማሕበራዊ ሜድያ ዝተላለዩዎን ኣብ ጸገሙ በብዓቕሞም ሓገዞም ዘበርከቱን ዜጋታት ሕልፈቱ ምስተነግረ ንዕኡ መንግስተ ሰማይ ንስድራ ቤቱን መቕርቡን ከኣ ጽንዓትን ኣኻእሎን ክህቦም ዝትምነ ጽሑፋት ኣስፊሮም። ሬሳ ዮናስ ትማሊ ሰንበት 25 መስከረም ናብ ኣስመራ ከምዝኣተወን ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ስርዓተ ቀብሩ ከምዝፍጸምን እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም።","category":"መንሸሮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c0wzy6lygg4o"} {"headline":"ንዘይፍወስ መንሽሮ ካብ ዋህዮታት ብምጽራግ ተስፋ ዝፈጠረ 'ሓድሽ ሰውራዊ ፍወሳ'","content":"‘በይዝ ኤዲቲን’ ዝተባህለ ፈላሚ ሰውራዊ ፍወሳ፡ ነቲ ዘይፍወስ ዓይነት መንሽሮ ካብ ኣካላት ሓንቲ መንእሰይ ብምጽራግ ተስፋ ከምዝሃበ ይንገር ኣሎ። ኣሊሻ፡ ኵሉ’ቲ ኣቐዲሙ ዝተገብረላ ሕክምናታት ሉኪሚያ ፈሺሉ እዩ። በዚ መሰረት ሓካይም ሆስፒታል ግሬት ኦርሞንድ ስትሪት \"በይዝ ኤዲቲን\" ተጠቒሞም፡ ሓድሽ ህያው መድሃኒት ብምስራሕ ድንቂ ዝዀነ ቅያ ባዮሎጂካዊ ምህንድስና ፈጺሞም ኣለው። እታ ንእስቲ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ብዝተገብረላ መርመራ እቲ ዝነበረ መንሽሮ ከምዘየለ ተረጋጊጹ፤ እንተዀነ ኣሊሻ ገና ሕክምናዊ ክትትል ይግበረላ ከምዘሎ ተፈሊጡ’ሎ። እታ ጓል 13 ዓመት ተቐማጢት ሌስተር ዝዀነት ኣሊሻ፡ ኣብ ግንቦት ዝሓለፈ ዓመት እዩ፡ እቲ ብ’T-cell acute lymphoblastic leukemia’ ዝፍለጥ ሕማም ከምዘለዋ ዝተረጋገጸ። ዋህዮታት ቲ [T-cells] ስግኣታት ዘለልዩን ዘጥፍኡን ሓለውቲ ኣካላት ክዀኑ ዝግባእ’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ኣካላት ኣሊሻ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ብምዕባይ ንባዕሎም ሓደጋ ኰይኖም ነይሮም። መንሽሮኣ ኣመና ሕማቕ እዩ ነይሩ፤ ኬሞቴራፒ፡ ድሕሪኡ ድማ ምእታው ኣንጕዕ ኣበዕጽምቲ፡ ነቲ ሕማም ካብ ኣካላታ ከውጽኦ ኣይከኣለን። እዚ ፈላሚ መድሃኒት እንተዘይህሉ ነይሩ፡ እቲ እንኮ ዝነበረ ኣማራጺ፡ ብዝተኻእለ መጠን ኣሊሻ ከምእትረጋጋእ፣ ምቹእነት ከም ዝስምዓ ምግባር ጥራይ እዩ ነይሩ። \"ኣብ መወዳእታ ምሞትኩ ነይረ\" ትብል ኣሊሻ። ኣደኣ ኪዮና ብወገና፡ ከምዚ እዋን ዝሓለፈ ዓመት፡ \"እዚ ምስኣ እነሕልፎ ናይ መወዳእታና ቅንያት በዓል ልደት’ዩ፡ ኢልና ቀቢጽና ኔርና\" ብምባል ብጓሂ ከም ዝበኸያ ትገልጽ፤ “ኣሊሻ፡ መበል 13 ዓመተ ልደታ ዝመጽእ ጥሪ እዩ።” እቲ ቀጺሉ ዘጋጠመ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ፤ ብሳላ’ቲ ምእማኑ ዘጸግም ምዕባለታት ጀነቲክስ ግን ተኻኢሉ። እቶም ኣብ ግሬት ኦርሞንድ ዝርከቡ ጕጅለ ሓካይም፡ ነቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ኣቢሉ ዝተማህዘ፡ ቴክኖሎጂ በይዝ ኤዲቲን ኣብ ግብሪ ኣውዒሎምዎ። ‘በይዝ’ ቋንቋ ህይወትና እዩ። እቶም ኣርባዕተ ዓይነታት በይዝ - ኣደኒን (A)፡ ሳይቶሲን (C)፡ ጉዋኒን (G)ን ታይሚን (T)ን - ስርዓተ ጀነቲካዊ ኮድና እዮም። ከምቶም ኣብ ቃላት ዝርከቡ ፊደላት፡ ትርጕም ዘለዎም ቃል ዝህቡ፡ እቶም ኣብ ዲኤንኤ ዝርከቡ ቢልዮናት በይዝ ድማ ነቲ ንኣካላትና ዝኸውን መምርሒ ስርዓት’ዮ ዝጽሕፉ። በዚ መሰረት በይዝ ኤዲቲን፡ ሳይንሰኛታት ነቲ ዝተደልየ ክፋል ጀነቲካዊ ኮድ ክዓብዩን\/ኣዕብዮም ክርእይዎን፡ ድሕሪኡ ንሞለኲዩላዊ ኣቃውማ ሓደ በይዝ ክቕይሩን [ኤዲት ክገብሩ]፡ ነቲ ጀነቲካዊ መምርሒታቱ ክልውጥዎን የኽእሎም። እዚ ዓቢይ ጕጅለ ሓካይምን ሳይንሰኛታትን  እምበኣር፡ ነዚ ቴክኖሎጂ’ዚ ተጠቒሙ፡ ነቶም መንሽሮ ዘለዎም ዋህዮታት-ቲ ኣሊሻ ክሃድንን ክቐትልን ዝኽእል ሓድሽ ዓይነት ቲ-ሰል እዩ ሃንዲሱ። ነዚ ድማ ካብ ሓደ ለጋሲ ዝተረኽቡ ጥዑያት ቲ-ሰላት ተጠቒሞም እቲ ምምሕያሽ ክጅምር ገይሮም። ኣብ መወዳእታ ዝተገብረ ጀነቲካዊ ምምሕያሽ፡ እቶም ዋህዮታት ቲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣካላታ ዝርከብ ዋህዮታት ቲ - እንተላይ እቶም ብመንሽሮ ዝተለኽፉ ዋህዮታት - ንኽጠፍኡ፣ ኬሚካል ሲዲ7 ዘለዎ ዝዀነ ነገር ክሃድኑ መምርሒ ከም ዝወሃብ’ዩ ተገይሩ። እቲ ፍወሳ እንተ ሰሪሑ፡ ስርዓተ ምክልኻል ኣሊሻ፣ ዋህዮታት ቲ ይዅኑ ኣንጕዕ ኣዕጽምቲ ዳግማይ ክህነጹ እዮም። እቲ ሓሳብ ንስድራቤት ምስ ተገልጸሎም፡ ኣደ ኣሊሻ -ኪዮና \"ብሓቂ ከምኡ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም?\" ክትብል ሓተተት። እቲ ፈተነ ፍወሳ፡ ኣብ ነብሳ ክፍተን ዝወሰነት ግን ኣሊሻ ነበረት። \"በዚ ቴክኖሎጂ ዝተሓከመት ፈላመይቲ ሕምምቲ እያ\" ይብል ፕሮፌሰር ዋሲም ቓስም፡ ካብ ዩሲኤልን  ግሬት ኦርሞንድን። እዚ ጀነቲካዊ ምትዕጽጻፍ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሕማማት \"ዓቢይ ዕቝር ዓቕሚ\" ዘለዎ \"ኣዝዩ ቅልጡፍ ምዕባለ ዘርኢ ዘሎ  ዓውዲ ስነፍልጠት\" ምዃኑ ድማ ይገልጽ። ኣሊሻ፡ እቶም ዝማዕበሉ ዋህዮታት ኣብ ኣካላታ ንዝርከቡ መንሽሮ ዘለዎም ዋህዮታት-ቲ ን ነቶም ካብ ሕማም ዝከላኸሉላ ዋህዮታትን ንኸጥቅዑ ኣብ ኣካላታ ከምዝኣትዉ ተገይሩ። ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣሊሻ፡ ስርዓተ ምክልኻል ዓቕማ ንምዕባይ፡ ዳግመ-ምትካል ኣንጕዕ ኣዕጽምቲ ተገይሩላ፤ ን16 ሰሙን ድማ ኣብ ሆስፒታል ጸኒሓ። እቲ ኣብ ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ ዝተገብረ መርመራ ዳግማይ ምልክታት መንሽሮ ምስ ተረኽቦ ስክፍታታት ፈጢሩ ነይሩ፤ እንተዀነ ኣብ ቀረባ እዋን ዝገበረቶ ናይ መወዳእታ ክልተ መርመራታት ግን ምሉእ ብምሉእ መንሽሮ ካብ ኣካላታ ከምዝተጸርገ ኣረጋጊጹ። \"ንነፍሲ ወከፍ ንእሽቶ ነገር ከተድንቕ ከም ዘለካ ጥራይ ኢኻ ትመሃር፤ ኣብዚ ብምምጻአይ ጥራይ እየ ዘመስግን\" ትብል ኣሊሻ። \"ዘደንጹ'ዩ! በቃ እዚ ዕድል ክረክብ ምኽኣለይ ይገርመኒ፣ ኣዝየ'የ ዘመስግን፤ ኣብ መጻኢ ንኻልኦት ህጻናት ኣብ ክሕግዝ’የ።\" ንሳ ንበዓል ልደት እያ ተማዕዱ ዘላ፤ ኣብ መርዓ ኣሞኣ መሓዛ ኰይና ክትውዕል፣ ናብ ብሽክለታኣ ክትምለስ፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ክትመላለስን፡ ብሓፈሻ \"ንቡር ህይወታ ጥራይ ክገብርን\" እያ ትደሊ ዘላ። እቶም ስድራቤት እቲ መንሽሮ ፈጺሙ ከምዘይምለስ ተስፋ ኣለዎም፤ ኣመና ድማ ኣመስጊኖም ኣለዉ። \"እዛ ተወሳኺት ዓመት ንባዕላ፣ እዘን ኣብ ገዝኣ ዝጸንሓትለን ናይ መወዳእታ ሰለስተ ኣዋርሕ ንባዕለን ህያብ'የን ነይረን\" ትብል ኪዮና። ኣቦኣ ጀምስ፡ \"ክሳብ ክንደይ ከም እንሕበን ምዝራብ ኣዝዩ ይኸብደኒ። እንታይ ከም ዝሓለፈትን ንነፍሲ ወከፍ ኵነታት ህይወታ ክትዕዘብ ከለኻን ፍሉይ'ዩ\" ይብል። መብዛሕትኦም ሉኪሚያ ዘለዎም ህጻናት እቲ ንቡር ቀንዲ ሕክምናታት ይረኽቡ እዮም፤ እንተኾነ ኣብ ዓመት ክሳብ ደርዘን ዝዀኑ ካብዚ ፍወሳ ተጠቀምቲ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት። ኣሊሻ፡ ከም ኣካል ክሊኒካዊ ፈተነ፡ እቲ መድሃኒት ካብ ዝወሃቦም 10 ሰባት እታ ቀዳመይቲ እያ። ኣብ ሆስፒታል ግሬት ኦርሞንድ ስትሪት ካብ ክፍሊ ምትካል ኣንጕዕ ዓጽሚ ዶክተር ሮበርት ቺሳ፡ \"ኣዝዩ ዘሐጕስ'ዩ፤ ርዱእ'ዩ፡ እዚ ሓድሽ ዓውደ ሕክምና'ዩ፣ ስርዓተ-ምክልኻል ሕማም መንሽሮ ንምምካት ዳግማይ ኣንፈት ከነትሕዞ ምኽኣልና ድማ መሳጢ'ዩ\" ኢሉ። እዚ ግን፡ ቴክኖሎጂ በይዝ ኤዲቲን ንብድሕሪ ሕጂ ኣበየናይ ጫፍ ክበጽሕ ከም ዝኽእል መርኣዪ ጥራይ እዩ። ሓደ ካብቶም ኣብ ብሮድ ኢንስቲትዩት መሃዝቲ በይዝ ኤዲቲን ዝዀነ ዶክተር ደቪድ ሊዩ፡ እቲ ቴክኖሎጂ ካብ ዝምሃዝ ኣብ ሽዱሽተ ዓመቱ ጥራይ ሰባት ክሕከሙሉ ምርኣይ \"ክንዮ ክውንነት ወይ ከኣ ሕልሚ እዩ\" ክብል ይገልጾ። ኣብ ፍወሳ ኣሊሻ፡ ነፍሲ ወከፍ በይዝ ኤዲቲን፡ ንሓደ ክፋል ጀነቲካዊ ኮድ ምብታኽ ስለ ዘጠቓልል፡ ደጊሙ ኣይሰርሕን እዩ። እንተዀነ ብኻልእ ፕሮግራም ጌርካ፡ ነቲ ጉድለት ዘለዎ ዋህዮ ክትእርሞ ይከኣል’ዩ። ንኣብነት፡ ዋሕዲ ሉኬምያ [ዋሕዲ ደም] ሲክል-ሴል፡ ብሓደ ክእረም ዝኽእል በይዝ ብምልዋጥ ጥራይ ዝመጽእ እዩ። ስለዚ ድሮ ኣብ ሕማም ሲክል-ሰል፡ ከምኡ’ውን ኣብ ስድራቤታት ዝርአ ልዑል መጠን ኮሌስትሮልን ጸገም ደም ‘ቤታ-ታላስሚያን’ ንምእራም ፈተነታት በይዝ ኤዲቲን ይካየድ ኣሎ። ዶክተር ሊዩ፡ \"ፍወሳዊ ኣጠቓቕማ በይዝ ኤዲቲን ገና ይጅምር እዩ ዘሎ\" ብምባል፡ \"ኣካል ናይዚ ዘመን ፍወሳዊ ኤዲቲን ሰብኣዊ ጂን ምዃን ክብሪ እዩ\" ኢሉ። \"ስነፍልጠት፡ ንጂኖምና ‘ሕናተ-ሰረት’ ንምቁጽጻር ወሰንቲ ምዕባለታት ዝጐናጸፈሉ ዘሎ እዋን ኢና ዘሎና።\"","category":"መንሸሮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw0j2kx622do"} {"headline":"መንሽሮ፡ 'ካብቲ ሕማም ንላዕሊ፡ እቲ ጭንቀት ይብርትዕ ነይሩ'","content":"ኣደ ሰለስተ ቈልዑ ገነት ኤልያስ፡ ኣብ ከተማ ሃዋሳ እያ ትነብር። ደቃ ንብሕታ ከም ዘዕበየቶም እትዛረብ ወይዘሮ ገነት፡ ክልተ ደቂ ደቃ'ውን ምስኣ'ዮም ዝነብሩ። \"ምስ በዓል ቤተይ ካብ እንፈላለ ነዊሕ ገይርና፡ ደቀይ በይነይ'የ ዘዕብዮም፡'' ዝበለት ወይዘሮ ገነት፡ ናብራኣ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ምዃኑ ትዛረብ። ከምኡ ዀይኑ ግን ብርሃን ደቃ ክትርኢ ትብህግ። ወይዘሮ ገነት፡ ጥዕናይ ምሉእ ኣይኰነን ትብል። ዕድመኣ እንተዘይደፍአ'ውን፡ ወርሓዊ ጽግያታ ኣብ 2005 ጠጠው ከም ዘበለት ትዛረብ። ብ2007 ዓ.ም [ግእዝ]፡ ሓደ ጕጅለ ሕክምና ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ናብ ሃዋሳ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ንደቀንስትዮ፡ መርመራ መንሽሮ ጫፍ ማህጸን ከካይድ እንከሎ ወይዘሮ ገነት'ውን ተመርሚራ። \"ሽዑ ናጻ ስለ ዝነበርኩ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ተባሂለ\" ትብል። ብ2009 ዓ.ም ግን ካብ ማህጸና ፈሳሲ ክነጽዕ ጀሚሩ። ኣብ ከባቢኣ ናብ ዝርከብ ትካል ጥዕና ንሰብሞያ ጥዕና ጸገማ ተረድእ። ኣብቲ ሽዑ እዋን፡ ሕማምኪ እዚ'ዩ ተባሂላ ዝተዋህባ መድሃኒት ሒዛ ናብ ገዛኣ ተመልሰት። ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ግን ካልእ ጕጅለ ሕክምና ተመሳሳሊ መርመራ ክገብር ይመጽእ። እዚ ጕጅለ ሓካይም፡ ማህጸና ከፊቱ ክርእዮ እንከሎ ብዙሕ ፈሳሲ ከም ዝፈሰሳ ትገልጽ። ሽዑ፡ ንመርመራ ዝዀኑ ነገራት ወሲዶም። ውጽኢት መርመራ ንምፍላጥ ክልተ ሰሙን ወሲዱ። ውጽኢት ተዳልዩ ምስ ተላእከ፡ ንዝለዓለ ሕክምና ድማ ናብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ወረቐትተጻሒፉላ። 'ዝመውት መሲሉኒ ተስፋ ቘሪጸ ነይረ' ወይዘሮ ገነት፡ ካብ ማህጸና ሕማቕ ጨና ዘለዎ ፈሳሲ ይዝዕግ ከም ዝነበረ ትዛረብ። ዝተኻየደ መርመራ ድማ፡ 'መንሽሮ' ዝብል ውጽኢት ሒዙ ስለ ዝመጽአ፡ ኵሉ ነገር ክጽልምታ ጀሚሩ፤ ገዛኣ ጭንቅን ብኽያትን ውሒጥዎ። ቅድሚኡ መርመራ ገይራ ናጻ ተባሂላ ስለ ዝነበረት፡ ከመይ ኢሉ ኣብ ሓጺር እዋን እዚ ሕማም ክርከብ ክኢሉ ብዝብል ምእማን ጸጊምዋ ከም ዝነበረ ትገልጽ። ደቃ ሰንቢዶም፤ ንሳ'ውን ተስፋ ብምስኣን ልባ ተሰይሩ። ኣብ ርእሲኡ፡ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝዀነ ናብራ ሒዝካ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንሕክምና ምኻድ ዝጽወር ኣይነበረን። ወጻኢታት መጓዓዝያ ጥራይ ኣብራክኻ'ዩ ዘምክኽ። \"ኣይኮነንዶ ጥቁር ኣንበሳ፡ ኣብ ከባቢና ዘሎ መደበር ጥዕና ክሕከም'ውን ዓቕሚ ኣይነበረንን። ሓዚነ፤ ክመውት'የ ማለት'ዩ ኢለ ፈሪሀ ነይረ፡\" ትብል። እዚ ውጽኢት መርመራ ዝሰምዑ ቤተሰብ፡ ጐረባብቲ ዝሓዙ ሒዞም ክበጽሕዋ ጀመሩ። \"ብዙሕ ዘረባ'የ ዝሰምዕ ነይረ፤ ናብ ማይ ጸሎት ክኸይድ፣ ማህጸነይ ከውጽኦ ዝመኽሩኒ'ውን ነይሮም፡\" ዝበለት ወይዘሮ ገነት፡ ዋላ ሓደ ቅናቱ ፈቲሑ፣ ጥሪቱ ሸይጡ፡ 'እንኪ ኪዲ ተሓከሚ' ዝበለኒ ግን ኣይነበረን፡'' ትብል። ልዕሊ ዅሉ ዓቢይ ወደይ'ዩ ሓዚኑ፡ ዝበለት ወይዘሮ ገነት፡ ጓላ'ውን ንኣደኣ ንምሕጋዝ፡ ናብ ዓዲ ዓረብ ተሰዲዳ። ድሕሪ ሸሞንተ ወርሒ ግን ተመሊሳ። ወይዘሮ ገነት ሕምምቲ መንሽሮ ምዃና ዝፈለጠትሉ ግዜ፡ ደቃ ተመሃሮ ከም ዝነበሩ ትገልጽ። \"ደቀይ መንሽሮ ምዃኑ ምስ ፈለጡ ሓዚኖም። እታ ሓንቲ ጓለይ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ተመዲባ ነይራ፤ ግን ክተርፍ እየ ኢላ ወሲና ነይራ። ሽዑ፡ ወጻኢታት ሕክምናን ትምህርቲ ቈልዑን ኣጨኒቕዋ ነይሩ። ኣነ ግን፡ ናተይ ሕክምና ይተርፍ እምበር ንስኺ ትምህርትኺ ኣይተቋርጽን ኢኺ ኢለ ሰዲደያ፡\" ትብል። ወሲኻ ወ\/ሮ ገነት፡ \"ደቀይ ከመይ ኢለ ከም ዘዕበኽዎም ይፈልጡ'ዮም። ብጣዕሚ ተስፋ ቈሪጾም ነይሮም፤ ግን ብህይወት ዘንብር ፈጣሪ'ዩ፡ ክሳብ ሕጂ ኣለኹ፡\" ኢላ። ብመንሽሮ ዝሓመመ ሰብ ይመውት'ዩ ዝብል ጥራይ ትሰምዕ ብምንባራ፡ እቲ ኵነታት ኣዝዩ የጨንቓ ነይሩ። ብተወሳኺ መሐከሚ ገንዘብ ስኢኖም ዝሞቱ እትፈልጦም ሰባት ብምንባሮም፡ ስግኣታ ክውስኽ ገይርዎ። \"ነዚታት ክዝክር እንከለኹ ልበይ ይርዕድ። እቲ ጭንቀት ከኣ ተወሳኺ ሕማም ፈጢሩለይ፡ ን15 መዓልታት ሓሚመ፣ ብሰንኩ ከኣ እቲ ፈሳሲ በርቲዑ። ብዛዕባ'ቲ ኣዲስ ኣበባ ከይደ ዘዕርፈሉን ወጻኢታት ሕክምናን ክሓስብ እንከለኹ እቲ ሕማም መሊሱ እዩ ዝገደኒ፡\" ትብል። ስለ ዝዀነ፡ እቶም ኣብ ሃዋሳ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዘለው ነርሳት ወይዘሮ ገነት ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዳ እትሕከመሉ መገዲታት ከናድዩ ጀሚሮም። በዚ ኸኣ፡ ማቴዎስ ወንዱ ምስ ዝበሃል፡ ዓቕሚ ንዘይብሎም ሕሙማት መንሽሮ ዝሕግዝ ትካል ኣራኸብዋ። መሓዙታ፡ ንመጓዓዝያ ዝዀና ገንዘብ ኣዋጺኦም ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኢኾምዋ። እቲ ትካል፡ ንሕሙማት ምንባይን ኣብ ዙርያ መንሽሮ ጡብ፡ ጫፍ ማህጸን ከምኡ'ውን ምቁጽጻር ትምባኾ ግንዛበ ኣብ ምፍጣር ዝሰርሕ ዘይ መንግስታዊ ትካል እዩ። ማቴዎስ ወንዱ ካብ ዝምስረት ዓሰርተታት ዓመታት ዝገበረ ኰይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ንልዕሊ 1860 ህጻናትን ኣደታትን ሕሙማት መንሽሮ ሓገዝ ገይሩ ኣሎ። ሕክምና ተጀሚሩ ወይዘሮ ገነት፡ ብ2009 ወርሒ ነሓሰ ናብ ኣዲስ ኣበባ መጺኣ። \"ብ9 ነሓሰ 2009 ሕክምና ጀሚረ፤ ኣብቲ ዝቕጽል ዓመት ድማ ሕክምና ጨረርን ኬሞቴራፒን ወሲደ\" ትብል። እቲ ሕክምና ቅድሚ ምጅማሩ፡ ባዬፕሲ፡ ኤምአርአይን ሲቲስካንን ተገይሩለይ፡ ዝበለት ወይዘሮ ገነት፡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ኬሞቴራፒ ብምውሳድ ናብ ሃዋሳ ከም ዝተመለሰት ትዛረብ። ሽዑ፡ ጥዕናኣ ተመሓይሹ፡ ዝነበራ ስግኣት ተቐንጢጡ እያ ናብ ዓዳ ተመሊሳ። በብሽዱሽተ ወርሒ ግን ንሕክምናዊ ክትትል ናብ ኣዲስ ኣበባ ትመላለስ ነይራ። እዚ ክሳብ 2013 ዓ.ም ቀጺሉ፤ ኣብ መዓልቲ ሓሙሽተ ግዜ ሕማቕ ጨና ዘለዎ ፈሳሲ ካብ ማህጸና ይፈስስ ነይሩ። እዚ ንሰብ ሞያ ሕክምና ክትነግሮም እንከላ፡ \"ብዙሕ መድሃኒት ስለ ዝወሰድኪ'ዩ ዝኸውን\" ዝብል መልሲ ተዋሂብዋ ኣብ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ቈጸራኣ ክትምለስ ተነግራ። እንተዀነ፡ እቲ ጸገም እናበኣሰ ምምጽኡ እትገልጽ ወይዘሮ ገነት፡ \"ሽዑ፡ ካብቲ ዝቐደመ ንላዕሊ ይሓምም ነይረ። ሕጂ'ውን ካብ ማህጸነይ ዝፈስስ ነገር ኣሎ ኢለ ንሓኪመይ ነጊረዮ፡\" ትብል። መርመራ ክግበር እንከሎ ግን፡ እቲ ውጽኢት ተመሳሳሊ ነይሩ። ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ እቲ ካንሰር ኣብ ሳልሳይ ደረጃ በጺሑ ምንባሩ ከም ዝተሓበራ ትዛረብ። \"ከም ቤተሰብ ብዙሕ መከራ ኢና ኣሕሊፍና፣ ደኺምና። ደቀይ ጽኑዓት ስለ ዝዀኑ'የ ብህይወት ዘለኹ፡\" ትብል። ሕክምና መንሽሮን ወጻኢታቱን ወይዘሮ ገነት እትገብሮ ሕክምናዊ ክትትል፡ ዝድግፍ ትካል እንተዘይህሉ ነይሩ፡ ወጻኢታቱ ክቡርን ዘይከኣልን ምዃኑ ትገልጽ። እቲ ንመርመራን መድሃኒትን ዝወጽእ ገንዘብ፡ ኣይኮነን ንኸም ወይዘሮ ገነት ዝኣመሰላ ናይ እለት-እንጀራ ንምርካብ ላዕልን ታሕትን ዝብላ፡ ወርሓዊ ስሩዕ ደሞዝ ዘለዎ ሰብ'ውን ዝኽእሎ ኣይኰነን። \"ኬሞቴራፒ ክወስድ እንከለኹ ዝተፈላለዩ መድሃኒታት'የ ዝገዝእ። ኣብ ትካል፡ ኣብ ነፍስወከፍ ሕክምና ክልተ ቕነ ጥራይ ክሳብ ሽዱሽተ ሽሕ ብር ወጻኢ ይገብር\" ኢላ። ወይዘሮ ገነት መድሕን ጥዕና እንተለዋ'ውን፡ ብኡ መድሃኒት ክትገዝእ ኣይትኽእልን። \"እዚ ትካል እንተዘይህሉ ነይሩ፡ ሕጂ ሞይተ ምሃለኹ፡\" ብምባል ወ\/ሮ ገነት፡ ወጻኢታት ሕክምና ባዕሎም ዝሽፍኑ ሰባት ውሑዳት ምዃኖም ትዛረብ። ሕጂ፡ ኣብ ደሓን ኵነታት ከም ዘላ ብምግላጽ፡ \"መወዳእታኡ ፈጣሪ'ዩ ዝፈልጦ፤ ዳግም ግን መርመራ ክገብር እየ፡\" ኢላ።","category":"መንሸሮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61602761"} {"headline":"መንሽሮ መዓንጣ፡ ብኸመይ ካብ ቀልቀል ኵነታትና ንፈልጥ?","content":"ዳመ ዲቦራ ጀምስ፡ ኣብ 40 ዓመታ ብመንሽሮ መዓንጣ’ያ ሞይታ። ሰብ ብዛዕባ መንሽሮ መዓንጣ ዘለዎ ኣፍልጦ ንኽዓቢ ኸኣ፡ ለይትን ቀትርን ሰብ ቀልቀሉ እንታይ ከም ዝመስል ክርኢ ከምዘለዎ ትጕስጉስ ነይራ። ኣብ ብሪጣንያ፡ መንሽሮ መዓንጣ ኣዝዩ ግኑን ዓይነት መንሽሮ ኮይኑ፡ ሰብ ብዛዕባ እዚ ሕማም ንዝሓቶ ሕቶታት ክንምልስ ፈቲንና ኣለና። ነዚ ንምፍላጥ ሰለስተ ቀንዲ ከንርእዮም ዘለና ነገራት ኣሎው ብዘይካ'ዚኦም እውን ካልኦት ከነስተብህለሎም ዝግባእ ምልክታት ኣሎው እዚ ዅሉ ምልክታት ተራእይና እንከሎ’ውን ሕማምና መንሽሮ መዓንጣ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ከምዚ ዓይነት ምልክታት፡ ንልዕሊ ሰለስተ ሳምንታት እንተርኢና ብቕልጡፍ ናብ ሓኪም ክንከይድ ይግባእ። ሕማም መንሽሮ ብኣጋ እንተ ተፈሊጡ፡ ንምሕካሙ ዝቐለለ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ መንሽሮ መዓንጣ፡ ኣብ ውሽጢ መዓንጣ ቁጻር ብምፍጣር ቀልቀልና ንደገ ከይወጽእ ክዓግቶ ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ ቃንዛ ከብዲ፡ ድርቀትን ካልእ ተወሳኺ ሕማምን ከኸትለልና ይኽእል። ስለዚ ናብ ከምዚ ደረጃ ከይብጽሐ እንከሎ፡ እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ምልክታት እንተርኢና ናብ ሕክምና ምኻድ ኣዝዩ ተመራጺ’ዩ። ቀልቀል ምስ ወጻእን ተመሊስና ጽቡቕ ገይርና ንርኣዩ፡ ብዛዕባ እቲ ዝርኣናዮ ምዝራብ ኸኣ ኣየሰክፈና። ኣብ ቀልቀልናን መሃንቱስናን ደም ከይህሉ ጽቡቕ ገይርና ነስተብህል። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ከባቢ ጭራ መቐመጫና ካብ ዘሎ ዝሓበጠ ሰራውር ደም፡ ደም ምስ ቀልቀል ተሓዊሱ ክወጽእ ይኽእል እዩ። እዚ ግን ሳሕትን ሓንሳብን ዘጋጥም እዩ። ስለዚ ሓንሳብ ርኢና ኢልና ክንስንብድ የብልናን፣ ብተደጋጋምን ኣከታቲሉን ዝኽሰት እንተዀይኑ ግን ምልክት መንሽሮ መዓንጣ ክኸውን ስለ ዝእእል ናብ ሕክምና ክንከይድ የድሊ። ሓደ ሓደ ግዜ’ውን ካብ መዓንጣና ወይ ካብ ካልእ ክፋል ኣካላትና ዝነዝዐ ኣዝዩ ድሙቕ ቀይሕ ደም ምስ ቀልቀልና ተሓዊሱ ክወጽእ ይኽእል’ዩ፤ እዚ’ውን ዘየሻቕል ኣይኮነን። እንተዀነ ኣብዚ’ውን ሓንሳብ ድዩ ብተደጋጋሚ ዝወጽእ ዘሎ ነስተብህል። መንሽሮ መዓንጣ ምስ ዝህልወና፡ ኣብ መዓንጣና ዘይንቡር ነገራት ክስምዓና ይኽእል እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ከይተፈለጠና ቀልቀል ክሞልቈና ይኽእል፣ ወይ ከኣ ካብ ንቡር ወጻኢ ቀቀልጢፉ ቀልቀል ክመጽኣና ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ ቀልቀል ምስ ወጻእና፡ ዘይወዳእና እናመሰለና ኢና ተተመላሊስና ናብ ዓይኒ ምድሪ ንጐዪ። ጠንቂ ሕማም መንሽሮ መዓንጣ እንታይ'ዩ? ንዝብል ሕቶ ክሳዕ ሕጂ ንጹር መልሲ የብሉን፡ እንተኾነ ገለ ገለ ናብዚ ሕማም ዘቓልዑና ነገራትን ግን ኣለዉ፦ ሕማም መንሽሮ መዓንጣ ብተወርሶ ኣይመሓላለፍን’ዩ። እንተኾነ፡ 50 ቅድሚ ዓመት ምምልኡ በዚ ሕማም ዝተጠቕዐ ኣባል ስድራ እንተሃልዩካ፡ ንሓኪምካ ምንጋር ኣገዳሲ’ዩ። ኣብ ኣባል ስድራኻ ብ’ሊንች ሲንድሮም’ ዝሓመመ ሰብ እንተሃልዩካ፡ ሊንች ሲንድሮም ንሕማም መንሽሮ መዓንጣ ናይ ምቅላዕ ተኽእሎኡ ስለ ዝዓቢ እዚ’ውን ንሓኪምካ ምንጋር ዘይምርሳዕ። ተመራመርቲ፡ ብመንሽሮ መዓንጣ ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎና ብልዕሊ ፍርቂ ከነጉድሎ ከም እንኽእል’ዮም ዝገልጹ። እዅል ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር፡ ውሑድ ስብሕን እኹል ጭሕጎን ዘለዎ መግቢ ምዝውታርን መዓልታዊ ካብ ሽዱሽተ ክሳብ ሸሞንተ ኩባያ ማይ ምስታይን ካብቶም ክስግሩ ዘይብሎም ምዃኖም’ዮም ተመራመርቲ ዝጠቕሱ። ብዘይካ እዚ፡ ዝኾነ ዘሰክፍ ምልክት ምስ ዝህለወና፡ እንተኽኢለና’ውን ብስሩዕ ናብ ሓኪም ብምኻድ ኵነታትን ክንፈልጥ ኣዝዩ ተመራጺ’ዩ። ሓኪምካ በዚ ሕማም ተጠቂዕካ ክትከውን ትክእል ኢኻ ዝብል ጥርጣረ እንድሕር ኣሕዲሩ፡ ‘ኮሎንስኮፒ’ ተባሂሉ ብዝጽዋዕ መስርሕ ኣብ ውሽጢ ትቦ ብዝተሰኾዐ ካሜራ ብመቐመጫ ናብ ውሽጢ መዓንጣ ብምእታው’ዩ ክረጋገጽ ዝኽእል። 90 ሚእታዊት ካብቶም ኣብ መጀመርታ ደረጃ እንከሎ ሕማሞም ዝተፈለጠ ሰባት ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመትን ልዕሊኡን ናይ ምንባር ተኽእሎ ኣለዎም። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት በዚ ሕማም ዝተጠቅዑ ሰባት ብህይወት ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ናይ ምጽናሕ ዕድሎም ብዕጽፊ ክዛይድ ክኢሉ’ዩ። ልክዕ ከም ካልኦት ዓይነታት መንሽሮ ካብ 15 ክሳብ 40 ዓመቶም ሰባት በዚ ሕማም ምስ ዝጥቅዑ፡ ዝለዓለ ናይ ምሕዋይ ተኽእሎ ኣለዎም። ብሓፈሻ ግን ምስ ትሕተ ቅርጺ ትካላት ጥዕናን ቀረብ መኣዛዊ መግብን ብምትሕሓዝ፡ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዝርከቡ ሰባት ካብዚ ሕማም ናይ ምሕዋይ ዕድሎም ዝለዓለ’ዩ። ሕማም መንሽሮ ኣብ መጀመርታ ደረጃኡ እንከሎ እንተተለልዩ ክፍወስ ዝኽእል ሕማም’ዩ። ደረጃ ሕማምካ ኣብ ዝበጽሐ ደረጃ ይብጻሕ ግን ንዅሉ ኣማሪጺታት ኣለዎ። ካብቲ ዘሎ ኣማራጺ፡ መጥባሕቲ፡ ኬሞቴራፒ፡ ራድዮቴራፕን ካልእ ዓይነትን ኰይኑ፡ እቲ ሕርያ ኣብ ውልቅኻን ደረጃ ሕማምካን ዝምርኮስ’ዩ።","category":"መንሸሮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c87j3ppj5jko"} {"headline":"‘ጸላም ስለዝዀንኩ መንሽሮ ቘርበት ዝሕዘኒ ኣይመስለንን ነይሩ'","content":"ኢሰር ነኔር፡ መንሽሮ ቘርበት ከም ዘለዋ ክንገራ እንከሎ፡ ዕድመኣ ገና ኣብ መወዳእታ 20ታት ነይሩ። \"ብድሕሪት እግረይ ንእሽቶ ብሮት ወጺኣትኒ። ሽዑ ምስ መሓዛይ ኣብ ዕረፍቲ እየ ነይረ። መሓዛይ 'እዛ ብሮት ክትምርመርያ ኣለኪ' ኢላትኒ\" ትብል ኢሰር። \"ስለዚ ናብ ሓኪም ከይደ፡ ብኡንብኡ ኣልጊሶምለይ። ግን ድሕሪ ሓደ ሰሙን መንሽሮ ቘርበት ከም ዝዀነ ተነጊሩኒ። ኣዝየ ሰንቢደን ሓሪቐን።\" ንሳ፡ ልዑል መጠን መላኒን (ጸሊም ሕብሪ ቈርበት) ኣብ ጸሊም ቈርበት ክኸውን እንከሎ፡ ብጸሓይ ኣይበላሾን ዝብል ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ጽውጽዋይ ትኣምን ስለ ዝነበረት ተገሪማ። \"ጸሊም ቈርበት ምስ ዝህልወካ [መንሽሮ ቘርበት] ፈጺሙ ክሕዘካ ከም ዘይክእል እዩ ዝስምዓኒ ነይሩ። ከምኡ ስለ ዝሓስብ ድማ ካብ ጸሓይ ዝከላኸል ቅብኣት (sunscreen) ኣየድልየንን'ዩ ይብል ነይረ። ሕጂ ግና ቈርበት፡ ቈርበት ምዃኑን መንሽሮ ቈርበት ክሕዘካ ከም ዝኽእልን ተረዲአ፡\" ትብል ኢሰር። ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት እቲ መንሽሮ ደጊሱ። \"እቲ ዘሐጕስ ግን ሕጂ'ውን ኣቐዲመ ስለ ዝፈለጥኩ ኬሞ ምውሳድ ኣየድለየንን። ንሓንቲ ሱር ሕብረ-ኣልቦ ፈሳሲ (lymph) ምልጋስ ጥራይ እዩ ዘድሊ ነይሩ፡\" ኢላ። ሕጂ ግን፡ ካብ ሕማም መንሽሮ ናጻ እያ። ኢሰር ቈልዓ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ መከላኸሊ ጸሓይ ተጠቒማ ኣይትፈልጥን ነይራ። ሕጂ ኸኣ ካልኦት ተመሳሳሊ ጌጋ ንኸይገብሩ ንምጥንቃቕ፡ ምስ ማሕበር ምርምር መንሽሮ 'ዩናይትድ' ትሰርሕ ኣላ። እቲ ማሕበር ከም ዝሕብሮ፡ መንሽሮ ቈርበት ሜላኖማ ካብ ኣብ ጸዓዱ ኣብ እስያውያንን ጸለምትን ዘጋጥመሉ ግዜ ውሑድ እዩ። እንተዀነ፡ ኣብ ማሕበር ተመራመርቲ ስነ ቘርበት ብሪጣንያ ትሰርሕ ዶክተር ኦፍሊያ ዳድዚ፡ ኣብ ጸለምቲ ከጋጥም እንከሎ \"ዝያዳ ቍጡዓትን ደንጕዮም ዝርከቡን\" ከም ዝዀኑ ትገልጽ። ዶ\/ር ዳዚ ንኰኾብ ሬገ ቦብ ማርሊ ትጠቅስ፤ ቦብ ማርሊ ብሓደገኛ ሜላኖማ እዩ ህይወቱ ሓሊፉ። \"ንቘርበትካ ኣብ እትርእየሉ ግዜ ንብምሉኡ ቈርበትካ ክትርእዮ ኣለካ። ብፍላይ እቶም ጸሊም ቈርበት ዘለዎም ሰባት፡ ከብዲ ኣእጋር፡ ኣእዳው፡ ከብዲ ኣእዳው፡ ኣጽፋር ምርኣይ ክርስዑ የብሎምን\" ትብል። ኣብ ከብዲ ኣእጋሮም ጡብ ኣድጊ ዝወጽኦም ዝመስሎም ዝነበረ 'ሞ፡ ሕማሞም መንሽሮ ቘርበት ኰይኑ ዝተረኸብ ሰባት ከም ዘለዉ ትሕብር። ዶ\/ር ዳድዚ፡ ጸሊም ቈርበት ካብ ጩራ ጸሓይ ናጻ ከም ዝዀነ ዝገልጽ ጽውጽዋይ ክተርፍ ከም ዘለዎን'ውን ወሲኻ ትገልጽ። ሜላኒን እቲ ንቘርበት ጸሊም ዝገብር ግን ከኣ ካልእ ባህርያት ዘለዎ ሕብሪ እዩ። እዚ ሕብሪ እዚ፡ \"ተፈጥሮኣዊ ዕቝባ ጸሓይ\" ብምግላጽ \"ኣብ ዋህዮታት ቈርበት ኮፍ ኢሉ ካብ ጕድኣት ልዕለ-ሊላ ጩራታት (ultraviolet) ከምኡውን ብልዕለ-ሊላ ጩራታት ዝምጽእ ለውጢ ዲኤንኤ ይከላኸል እዩ፡\" ትብል። \"ሜላኒን ካብዚ ይከላኸል እምበር፡ ካብ ጸሓይ ግን 100% ዑቝባ ኣይኰነን።\" ሰባት ክሓስቡሉ ዘለዎም መንሽሮ ቘርበት ጥራይ ከም ዘይኰነ ድማ ተጠንቅቕ። \"ኣብ ጸሊም ቈርበት መብዛሕትኡ ግዜ ዘጋጥመኒ ልዑል ዘውሒ ቈርበት (hyperpigmentation) እዩ። ጠንቂ እዚ ልዑል ዘውሒ ቈርበት ናይ ጸሓይ ኣልትራ ከም ዝዀነ ሰባት ኣይግንዘብዎን እዮም።\" ልዑል ዘውሒ ቈርበት ዝፍጠር፡ ጸሊም ዝንጕርጉር ቈርበት ክዓብዩ ከለዉ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ድማ ዝያዳ መጠን ሜላኒን ዘስዕቦ እዩ። ማሕበር ተመራመርቲ ስነ ቘርበት ብሪጣንያ ሰለስተ ክፍሊ ዘለዎ ትልሚ ምክልኻል ከም ዘድሊ ይሕብር። ጽላል ወይ መጋረዲ፡ ኣከዳድና ከምኡ'ውን ካብ ጸሓይ ዝከላኸል ቅብኣት (sunscreen) ምጥቃም ይብል። በዚ መሰረት ዶክተር ዳድዚ ዝስዕብ ምኽሪ ትልግስ። ብኽዳን፡ እንተላይ ብቘብዕ ንቘርበትኩም ካብ ጸሓይ ክትከላኸሉ ትኽእሉ ኢኹም። ልዕለ-ሊላ ጩራታት ዝከላኸል መነጽር ጸሓይ እውን ክትጥቀሙ ትኽእሉ። ልዕለ-ሊላ ጩራታት ጸሓይ ዝብርትዓሉ ግዜ ካብ ሰዓት 11፡00 ክሳዕ 3፡00 ድሕሪ ቐትሪ እዩ። ካብ ጸሓይ ዝከላኸል ቅብኣት ክትጥቀሙ እንተደሊኹም እንተ ወሓደ 30 ኤስ.ፒ.ኤፍ. (ረቛሒ ዑቕባ ጸሓይ) ዘለዎ ክኸውን ይምረጽ። መጠን ኤስ.ፒ.ኤፍ ካብ 30 ዝዛይድ እንተዀነ ድማ ዝበለጸ ይኸውን። ዝርአ ብርሃን እውን ልዑል ዘውሒ ቈርበት ከስዕብ ስለዝኽእል፡ እቲ ጸሓይ ዝከላኸል ቅብኣት ካብ ዝርአ ብርሃን ዝከላኸል መጠን እንተሃልይዎ ዝበለጸ ረብሓ ኣለዎ። እቲ ጸሓይ ዝከላኸል ቅብኣት፡ ማይ ከም ዝጻወርን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ሰዓት እውን ነቲ ኤስ.ፒ.ኤፍ. እንደገና ከም ዝተቐባእኩምን ኣረጋግጹ። እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።","category":"መንሸሮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv27g0zxm0xo"} {"headline":"ጥዕና፡ 'ሆጅኪንስ ሊምፎማ' ዝተብሃለ ናይ ደም መንሽሮ ክፍወስ ይኽእልዶ?","content":"ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኤርትራ ብሕማም ናይ ደም ካንሰር (Hodgkin's Lymphoma) ናይ ዝሓመመ ዮናስ ጸጋይ ዝተባሃለ ተቐማጢ ዓዲ ገዳ፡ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ድባርባ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስ ተዘርገሐ፡ ብሽሙ ኣብ ዝተኸፈተ ማዕከን 'ጎፈንድ ሚ' ኣብ ውሑዳት ሰዓታት ኣማኢት ኣሽሓት ዶላር ክዋጻኣሉ ክኢሉ። ጎኒ ጎኑ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ንሱ ዝሓመሞ ሆጅኪንስ ሊምፎማ ዝተባሃለ ናይ ደም ካንሰር ክፈልጥ ዝደሊ ሰብ'ውን ዛይዱ። ካብዚ ብምብጋስ ምስ ኣብ ካምፓላ፡ ኢስት ኣፍሪካ መዲካል ሰንተር ዝሰርሕ ዶክተር ሮቤል ተስፋሂወት ብዛዕባ ጠንቂ እቲ ሕማም፡ ኣገባብ መከላኸሊኡ፡ ዝያዳ ንመን የጥቅዕ ዝብልን እንተሓሚምካ ዘሎ ናይ ምሕዋይ ተኽእሎን ተወኪስናዮ ኣለና። ቢቢሲ፡ እዚ ሆጅኪንስ ሊምፎማ [Hodgkin's Lymphoma] ዝተብሃለ ናይ ደም መንሽሮ እንታይ ዓይነት ሕማም'ዩ? ብኸመይከ ይመጽእ? ዶክተር ሮቤል ተስፋሂወት፡ እዚ ሆጅኪንስ ሊምፎማ ናይ ደም ካንሰር ክንዛረብ እንተኾይና ብሓፈሻ እቲ ሊምፎማ ዝብሃል ሓደ ካብቶም ብዙሓት ዓይነታት ናይ ደም ካንሰር እዩ፤ ኣብ ክልተ ድማ ይምቀል። 'ሆጅኪንስ ሊምፎማ' ከምኡ'ውን 'ናን ሆጅኪንስ ሊምፎማ' ይብሃል። እዚ ሕጂ ንዛረበሉ ዘለና ሆጅኪንስ ሊምፎማ ኮይኑ፡ ኣብ ስርዓተ 'ሊምስ' [ሱር ዕያገንዳ] እዩ ዝብገስ። ዝያዳ ንምርድኡ ደም ክንብል እንከለና ኣብ ክልተ እዩ ዝኽፈል። እቲ ፕላዝማ ኢልና ንጽውዖ ማያዊ ክፋልን ዋህዮታት ደምን ኢልካ ድማ ይምቀል። ዋህዮታት ደም'ውን ንባዕሎም ኣብ ሰለስተ እዮም ዝምቐሉ፡ ፕላትለትስ፤ቀያሕቲ ዋህዮታት ደምን ጸዓዱ ዋህዮታት ደምን። ካብዞም ዋህዮታት ደም ምስ ሆጅኪንስ ሊምፎማ ምትሕሓዝ ዘለዎም ኸኣ እቶም ጸዓዱ ዋህዮታት ደም'ዮም። እዞም ጸዓዱ ዋህዮታት ደም ንባዕሎም ኣብ ሓሙሽተ እዮም ዝኽፈሉ፡ ሓደ ኻብኦም ኸኣ እቲ 'ሊምፎሳይት' ዝብሃል ዋህዮ እዩ። ሆጅኪንስ ሊምፎማ ኸኣ ካብቶም ጸዓዱ ውሃዮታት ደም ምስ ሊምፎሳይት እዩ ዝተሓሐዝ። ብኸመይ እዩ ዝተኣሳሰር እንድሕ ኢልና ኸኣ፡ ዝኾነ ዋህዮ ብኣካላትን ምቁጽጻር እናተገበረሉ ናይቱ ምዕባለን ናቱ ብዝሕን ኣለዎ። እዞም ሊምፎሳይት ዝተብሃሉ ዓይነታት ጸዓዱ ዋህዮታት ደም ካብቲ ንቡር ምዕባል ናይ ጸዓዱ ዋህዮታት ደም ወጻኢ ከይማዕበሉ ብዘይ ምቁጽጻር ዕቤትን ምትእኽኻብን ክፈጥሩ እንከለዉ ዝፍጠር ሕማም እዩ። እዞም ሊምፎሳይት ብሓፈሻ ኸኣ ጸዓዱ ውሃዮታት ደም ቀንዲ ስርሖም ኣብ ስርዓተ ምክልኻል ኣካላትና፡ ዝኾነ ከም ረኽሲ ናይ ጀርምታት ኣብ ዘጋጠምሉ እዋን ንኣካላትና ድርዒ ኮይኖም ዝከላኸሉ ዋህዮታት ደም ከም ምዃኖም መጠን ዘይንቡር ዕቤት ናይዞም ውሃዮታት ክፍጠር እንከሎ እቲ ሰብ ንሕማም ናይ ምጽዋር ዓቕሙ ዝለዝዳኸም ብዝኾኑ ተበለጽቲ ሕማማት ክጥቃዕ ይኽእል'ዩ። ቢቢሲ፡ ዝኾነ ሰብ በዚ ሕማም እዚ ንኸይጥቃዕ ክገብሮም ዘለዎ ጥንቃቐታት ኣሎዶ? ዶክተር ሮቤል ተስፋሂወት፡ ብዛዕባ ኣገባባት እዚ ሕማም ክንዛረብ እንተኾይና መጀመርታ ብዛዕባ እቲ ጠንቂ ኢና ክንዛረብ ዘለና። ኣብዚ ሆጅኪንስ ሊምፎማ ክሳብ ሕጂ ብዘሎ መጽናዕትታት ውዱእ ዝኾነ ጠንቁ ፍሉጥ ኣይኮነን። ግን ነዚ ሕማም ዘቃልዑ ዝተፈላለዩ ሮቋሒታት ኣለዉ። ንኣብነት ተወርሰኣዊ ክፋል ናይ ኣካላትና ክንጠቅስ ንኽእል። ድኹም ስርዓት ምክልኻል ኣካላት ዘለዎም ንኣብነት ሕሙማት ኤችኣይቪ፣ ድሕሪ ህዋሳት ናይ ምቕያር መድሃኒት ዝወስዱ ሰባት በዚ ሕማም ናይ ምጥቃዕ ተክእሎኦም ልዑል እዩ። ንምንታይ ኣብ ገለ ገለ ሰባት የጋጥም ኣብ ካልእ ግን ዘየጋጥምን ፍሉጥ ኣይኮነን። ቢቢሲ፡ እዚ ሕማም ዘጥቅዖ ክሊ ዕድመ ኣሎ ድዩ? ነየናይ ጾታኸ ዝያዳ የጥቅዕ? ዶክተር ሮቤል ተስፋሂወት፡ ብዕድመ እንተርኢናዮ በዚ ሕማም [ሆጅኪንስ ሊምፎማ] ዝጥቅዑ ካብ 20 ክሳብ 40 ዕድሚኦምን ከምኡ'ውን ልዕሊ 55 ዕድሚኦም እዮም። ብጾታ ክንርእዮ እንከለና ኸኣ ካብቶም ብሆጅኪንስ ሊምፎማ ዝጥቅዑ ብደረጃ ዓለም ዳርጋ 85 ሚኢታዊት ደቂ ተባዕትዮ'ዮም። ንምንታይ'ዩ ነዚ ዝተጠቐሰ ክሊ ዕድመን ዝያዳ ንደቂ ተባዕትዮን የጥቅዕ ንዝብል ግን ክሳብ ሕጂ ንጹር መልሲ ኣይተረኸቦን ኣሎ፡ ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ምክልኻሉ'ውን ካብ ጠንቅታት ተበጊስካ ስለትዛረብ ከምዚ ብምግባር ክትከላኸሎ ትኽእል ኢኻ ኣይትብልን ኢኻ። ብሓፈሻ ግን ናይ ደም ካንሳር ክትከላኸሎ፡ ከተወግዶ ወይ'ውን ከተጉድሎ እንድሕር ተደልዩ ካብ ዝተፈላላለዩ ጨረርታ ዘስዕቡ ነገራት ይኹን ከሚካላት ከም ብዓል በንዚን ምጥንቃቕ፣ ምትካኽ ሽጋራ ምውጋድ፣ ብሓፈሻ ኣብ ኣመጋግባና ኸኣ ጥንቁቓት ምዃን የድሊ። ቢቢሲ፡ በዚ ሕማም እዚ ዝተተሓዘ ሰብ ናይ ምሕዋይ ተኽእሎኡኸ ክሳብ ክንደይ'ዩ? ዶክተር ሮቤል ተስፋሂወት፡ ብሓፈሻ ኣብ ሕብረተሰብና ካንሰር እንድሕር ሰሚዕና ዘይሓዊ ሕማም፡ ፈጺሙ ተስፋ ዘይብሉ ገይርካ'ዩ ዝውሰድ። ኣብ ናይ ደም ካንሰር እንድሕር ወሲድና ኸኣ ክሳብ ሕጂ ብዘሎ ስነ ፍልጣዊ መሳርሒ ይኹን ምዕባለ፡ እቲ ብቐሊሉ ክፍወስ ዝኽእል ዓይነት ካንሰር'ዩ። ዋላ'ውን ኣብቲ ድሕሪ ፍወሳ ዝግበር ናይቲ ሰብ ኣካላዊ ምዕባለ ኣዝዩ ጽቡቕ ውጽኢት ዝርኣዮ እዩ። ሆጅኪንስ ሊምፎማ'ውን ካብዚኦም ዝፍለ ኣይኮነን፤ ብዝግበር ናይ ፍወሳ ኣገባብ እቲ ሕማም ምሉእ ንምሉእ ተፈዊሱ ሰብ ናብ ንቡር ጥዕንኡ ክምለስ ዋላ ሓንቲ ጸገም ዘለዎ ኣይኮነን። ኣዝዩ ተስፋ ዝህብ ናይ ሕክምና ኣገባባት ኣሎ፤ ከም ጨረር ይኹን ከምኡ'ውን 'ኬሞትራፒ' ዝብሃሉ፡ እዚኦም እንድሕር ገይሩ እቲ ሰብ ብቐሊሉ ክሓዊ ይኽእል እዩ። እዚ ክንብል እንከለና ደረጃታት ናይቲ ሕማም ወሳኒ እዩ፡ ግን ዋላ ኣብቲ ዝለዓለ ራብዓይ ደረጃ ንብሎ ዘሎ ሰብ'ውን ተስፋ ክቖርጽ የብሉን። ግቡእ ሕክምናን ክንክንን እንድሕር ረኺቡ ክሓውን ናብ ንቡር ክምለስን ጸገም ዘሎዎ ኣይኮነን። ቢቢሲ፡ ኣዝየ የመስግነካ ዶክተር ሮቤል ሆጅኪንስ ሊምፎማ ሓደ ካብቶም ስሕት ኢሎም ዝረኣዩ ዓይነታት መንሽሮ ኮይኑ ንጸዓዱ ዋህዮታት ደም ብምጥቃዕ ነቲ ሕሙም ንዝተፈላለየ ረኽስታት የቃልዖ። ዝተፈላለየ መጽናዕትታት ከምዝሕብርዎ ኣብ ዓለም ኣብ ዓመት 27 ሰባት ካብ ሚልዮን ሰባት በዚ ሕማም ይጥቅዑ። እዚ ድማ 1% ኣብ ዓለም ክብ ዘጋጥሙ ሕማማት ካንሰር ይውክል። ብዘሎ ምዕባለ ሕክምና እዚ ሕማም ክሓዊ ዝኽእል'ኳ እንተኾነ ዝርገሐ ፍወሳ ምዕሩይ ብዘይ ምዃኑ ብዓለም ደረጃ ኣስታት 25000 ሰባት ዓመታዊ ብሰንኪ እዚ ሕማም ሂወቶም ከምዝስእሉ ጸብጻባት ይሕብሩ።","category":"መንሸሮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60045980"} {"headline":"‘መንሽሮ ከም ዝሓመምኩ ምስተነገረኒ ተስፋ ቈሪጸ’","content":"ኣብ ኢትዮጵያ መንሽሮ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ጠንቂ ሞት ሰባት ዝኾኑ ኣርባዕተ ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ምዃኑ ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ይገልጽ። ውድብ ጥዕና ዓለም’ውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ከባቢ 60 ሽሕ ሰባት መንሽሮ ከምዝሓሙ ይነግር። ኣብ ደቂ ኣንስትዮ፡ እቲ ኣብ ቅድሚት ዝጥቀስ መንሽሮ ጡብ ክኸውን እንከሎ፡ መንሽሮ ኣፍ ማህጸን ካልኣይ ይስራዕ።","category":"መንሸሮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61562614"} {"headline":"ክታበት ኤችፒቪ፡ ክታበት መንሽሮ ሻምብቆ ማህጸን ብኸመይ ይከላኸል?","content":"ሓድሽ መጽናዕቲ ክታበት ኤችፒቪ ሕማማት መንሽሮ ሻምብቆ ማህጸን ብ90 ሚኢታዊት ከም ዝንኪ ሓቢሩ። እቲ ማእከል መንሽሮ ዓባይ ብሪጣንያ ታሪኻዊ ዝበሎ መጽናዕቲ እቲ ክታበት ህይወት የድሕን ከም ዘሎ ኣመልኪቱ። መንሽሮ ሻምብቆ ማህጸን ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዝረኣዩ ዓይነታት መንሽሮ ብስፍሓት ራብዓይ ደረጃ ዝሓዘ ኮይኑ ዓመታዊ ልዕሊ 300 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ይቐትል። ክታበት ሂዩማን ፓፒሊማቫይረስ [ኤችቪ] 'ጋርዳሲል' ዝብሃል ኮይኑ ትሸዓተ ዓይነታት ኤችፒቪ ይከላኸል። እዚ እቶም ክልተ ኩሎም ሕማማት መንሽሮ ሻምብቆ ማህጸን፣ ናይ መቐመጫ መንሽሮታት፣ ናይ ብልዕትን ክሳድን መንሽሮታት ዘስዕቡ ዝሓውስ እዩ። ክኢላታት እቲ ክታበት ንነዊሕ ዓመታት ረኽሲ ኤችፒቪ ከም ዝከላኸል እኳ እንተገለጹ፡ መጽናዕታት ግን ንዓሰርተ ዓመት ከም ዝከላኸል ይሕብሩ። እቲ ናይ መጀመርታ ውጽኢት መጽናዕቲ እቲ ክታበት ተጠቃዕነት መንሽሮ በሪ ማህጸን ብኣስታት 90 ሚኢታዊት ከም ዝንኪ የረድእ። እዚ ኣብ መጽሄት ላንሴት ዝተሓተመ ውጽኢት እቲ ክታበት ብ2008 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ንዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ብምሃብ ድሕሪ ዝተገብረ ክትትል ዝተረኽበ እዩ። ክታበት ሂዩማን ፓፒሊማቫይረስ [ኤችቪ] ደቂ ኣንስትዮ ይኹን ደቂ ተባዕትዮ ብሂዩማን ፓፒሊማቫይረስ ቅድሚ ምልካፎም እንተወሲዶም ዚያዳ ውጽኢታዊ ይኸውን። እዚ እቲ ክታበት ረኽሲ ጥራይ ስለ ዝከላኸል እዩ፤ ሓደ ግዜ በቲ ቫይረስ እንተተለኺፍካ ግን ነቲ ቫይረስ ከልግሶ ኣይኽእልን። እቲ ቫይረስ ኣዝዩ ዝተስፋሕፍሐ ስለ ዝኾነ ህጻናት፡ ቅድሚ ጾታዊ ርክብ ምጅማሮም እቲ ክታበት ክወስዱ ምግባር ጠቓሚ እዩ። ኤችፒቪ [ሓጺር መጸውዒ ሂዩማን ፓፒሎማቫይረስ ኮይኑ] ሓበራዊ ሽም ጉጅለ ቫይረሳት እዩ። ልዕሊ 100 ዓይነታት ኤችፒቪ ክህልው እንከለው፡ ገሊኦም ዓይነታት ብልምዲ ጡብ ኣድጊ እናተባህለ ዝጽዋዕ ምልክታት ከስዕቡ እንከለው፡ መብዛሕትኦም ምልክታት ኣየርእዩን። እቲ ምልክታት [ጡብ ኣድጊ] ኣብ ኢድ፣ እግሪ፣ ብልዕትን ኣብ ውሽጢ ኣፍን ክርኣይ ይኽእል። ይኹን'ምበር መብዛሕትኦም ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኽፉ ከይፈለጡ ሰብነቶም ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ሕክምናዊ ሓገዝ እቲ ቫይረስ የጥፍኦ። ብኻልእ ወገን እቶም ዝለዓለ ሓደጋ ዘለዎም ዓይነታት ኤችፒቪ ናብ መንሽሮ ዘምርሕ ዘይስሩዕ ዕብየት ዋህዮታት ከስዕቡ ዝኽእሉ እዮም። ብናይ ቀረባ ቆርበት ንቆርበት ምትንኻፍ ዝመሓላፍ ስለ ዝኾነ ብቐሊሉ ክትልከፍ ትኽእል ኢኻ። ክሳብ 80 ሚኢታዊት ሰባት ኣብ ክሊ ዕድመ 25 ጀሚሩ ንኤችፒቪ ተቓላዕቲ ይኾኑ። መብዛሕትኦም ክኣ ካብ 18 ኣዋርሕ ክሳብ ክልተ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ በቲ ቫይረስ ይሓሙ። እቲ ሕማም ብናይ ጾታዊ ርክብ ፈሰስቲ ዝመሓላፍ ስለ ዘይኮነ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላፍ ሕማም'ዩ ማለት ግን ኣይኮነን። ይኹን'ምበር፡ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብን ምትንኻፋትን ክመሓላፍ ዝኽእል እዩ። ኣስታት 90 ሚኢታዊት ብመንሽሮ ሻምብቆ ማህጸን ዘጋጥም ሞት ኣብ ትሑትን ማእከላይን እቶት ዘለወን ሃገራት ከም ዝርኣይ ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ። ኣብዘን ሃገራት መንሽቶ በሪ ማህጸን ክሳብ እቲ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሕን ምልክታት ዘማዕብልን ኣይፍለጥን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ውድብ ጥዕና ዓለም እዚ ሕማም ንምጥፋእ ዘለዎ መደብ ወግዓዊ ክገብር እንከሎ፡ ውጽኢታዊ ክታበት ኤችፒቪ ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ ግዜ ብምምዕባል \"ኣብ ዝቕጽል ክፍለ ዘመን\" ከጥፍኦ እየ ኢሉ ነይሩ። ይኹን'ምበር፡ ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ ትሕቲ 25 ሚኢታዊት ትሑት እቶት፣ ትሕሪ 30 ሚኢታዊት ትሑት ማእከላይ እቶት ዘለወን ሃገራት ጥራይ እየን እዚ ክታበት ረኺበን። ልዑል እቶት ዘለወን ሃገራት 85 ሚኢታዊት ክታበት ኣለወን። መንሽሮ ኣፍደገ ማህጸን ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ኻልኣይ ንደቂ ኣንስትዮ ዘጥቅዕ መንሽሮ ኮይኑ ብዙሕ ሞት ከም ዘስዕብ ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም የመልክት። ሕጽረት ናይ መርመራ ፕሮግራማት፣ ድሩት ኣገልግሎትን ክታበት ንምውሳድ ድልውነት ዘይምህላውን ክኣ ነዚ ምኽንያታት ከም ዝኾኑ ይጥቀስ። ኣብ ኣፍሪቃ ሩዋንዳ፡ ናይ መጀመርታ ጎስጓስ ክታበት እቲ ሕማም ዝጀመረት ሃገራት ኮይና፡ ብ2011 ደቂ ኣንስትዮ ብኣጋ ክታበት ክወስዳን መርመራ ክገብራን ገይራ።","category":"መንሸሮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59146015"} {"headline":"መንሽሮ ጡብ ጠንቁ እንታይ'ዩ? ክፍወስከ ይኽእል ዶ?","content":"ኣብ 2020፡ ብደረጃ ዓለም ኣስታት 23 ሚሊዮን ደቂ ኣንስትዮ ብመንሽሮ ጡብ ክሓማ እንከለዋ፡ ካብኣተን እተን 685 ሽሕ ከም ዝሞታ ሓበሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም የመልክት። ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ኣስታት 7.8 ሚሊዮን ደቂ ኣንስትዮ ብመንሽሮ ጡብ ከም ዝሓመማ ክረጋገጽ እንከሎ፡ መንሽሮ ጡብ ዝበዝሐ ሰብ ብምጥቃዕ ቀዳማይ ደረጃ ክሕዝ ክኢሉ እዩ። ጓል ኣንስተይቲ ንእተዄንኪ፡ ኣብ ዝዀነ ክሊ ዕድመ እናሃለኺ መንሽሮ ጡብ ክትሓሚ ትኽእሊ ኢኺ። ቍጽሩ ውሑድ’ዩ ዝብሃል እንተዀነ’ውን ደቂ ተባዕትዮ’ውን ብመንሽሮ ጡብ ይተሓዙ’ዮም። ነዚ ሕማም የቃልዑ’ዮም ተባሂሎም ዝተነጸሩ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት፡ ነቲ ሕማም ናይ ምቅላዕ ዕድል ብ30 ሚኢታዊት ጥራይ’ዮም ዝንክዩ። ስለዚ፡ ምልክታት እቲ ሕማም፡ ቅድመ ጥንቃቐን ሕክምናኡን ዝምልከት ክትፈልጢ ኣለኪ። ኣብዚ ጉዳይ፡ ኣገደስቲ ሓበሬታታት ንምርካብ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መደወላቡ ሪፈራል ሆስፒታል ጐባ ክኢላ መጥባሕትን ኣብ መንሽሮ ጡብ መጽናዕቲ የካይድ ንዘሎን ዶክተር ከበበ በቀለ ተወኪስናዮ ኣለና። መንሽሮ ጡብ ካበይ ከም ዝመጽእ ይፍለጥ’ዶ? ዶክተር ከበበ ከም ዝብሎ፡ መንሽሮ ጡብ ይዅን ካልኦት ዓይነታት መንሽሮ ብጭቡጥ እንታይ’ዩ መንቀሊኦም ዝብል ብመጽናዕቲ ዝተረጋገጸ ነገር የለን። ውድብ ጥዕና ዓለም ብወገኑ፡ 85 ሚእታዊት መንሽሮ ጡብ ‘epithelium of the ducts’ ዝብሃሉ ሆርሞናት ኣብ ውሽጢ ዋህዮታት ምዕባይ ክጅምሩ እንከለው’ዩ ይብል። እዞም ዋህዮታት መንሽሮ ካብ ካልኦት ዋህዮታት ሰብነትና ቀልጢፎም ክባዝሑን ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ክዀኑን እንከለው ናብ ሞት የቃልዑ። እዚ ሕማም፡ ካብ ምንታይ ዝመጽአ’ዩ ዝብል'ኳ እንተዘይፈልጥና ተቓላዕነት ክውስኹ ዝኽእሉ ጉዳያት እንታይ ክዀኑ ይኽእሉ ክንብል ግን ነቲ በዓል ሞያ ሓቲትና። ዕድመ መንሽሮ ጡብ ኣብ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ዕድሚአን ልዕሊ 30 ኣብ ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ዝርአ እንተዀነ’ውን ኣብ 20ታት ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ’ውን በቲ ሕማም ከም ዝትሓዛ ይዛረብ። “ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየዱ መጽናዕታት፡ እቲ ሕማም ኣብ 20ታት ኣብ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ክርከብ ከም ዝኽእል ተረጋጊጹ’ዩ። እንተዀነ ዕድመ እናወሰኸ ተቓላዕነት’ውን እናወሰኸ’ዩ ዝኸይድ” ይብል። ሓበሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እዚ ሕማም መብዛሕትኡ ግዜ ዕድሚአን ልዕሊ 40 ንዝዀና ደቂ ኣንስትዮ’ዩ ዘጥቅዕ'ኳ እንተበለ ዶክተር ከበበ ግን “ኣብ ሃገርና ብብዝሒ ዕድሚአን ካብኡ ንታሕቲ ኣብ ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ይርአ’ዩ ዘሎ” ኢሉ። ጾታ ጓል ኣንስተይቲ ምዃን ንርእሱ ንሕማም መንሽሮ ከም ዘቃልዕ ዶክተር ከበበ ይዛረብ። እዚ ማለት ግን ደቂ ተባዕትዮ ፈጺሙ ብሕማም መንሽሮ ኣይጥቅዑን ማለት ኣይኰነን። 99 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ንመንሽሮ ጡብ ዝቃልዓሉ ምኽንያት ከብርህ እንከሎ፡ ዑደት ወርሓዊ ጽግያት ይጠቅስ። “ጓል ኣንስተይቲ ወርሓዊ ጽግያት ኣብ እትርእየሉ ግዜ፡ ኣጥቧታ ይውስኽን ይንክን’ዩ። ኣብዚ ኦስትሮጅን ዝተባህለ ሆርሞን ስለ ዝፈርን ንነዊሕ ግዜ ነቲ ሆርሞን ስለ እትቃላዕን፡ በብግዜኡ ዝህሉ ዑደት ስለ ዝዀነ ዋህዮታት መንሽሮ ንኽፈርዩ ምቹእ ኵነታት ክፈጥር ይኽእል’ዩ፡” ይብል። ደቂ ተባዕትዮ’ኸ ስለ ምንታይ ብመንሽሮ ጡብ ይትሓዙ? ኣብ ደቂ ተባዕትዮ እቲ ልክዕ ምኽንያት ኣይፍለጥን። ግን ክኣ፡ ብተወርሶ፡ ኣብ ውሽጢ ሰብነት ዝህሉ መጠን ኤስትሮጅን ሓፍ ክብል ዝገብሩ ነገራት - ልዕሊ ዓቐን ርጉድን በሰላ ጸላም ከብዲ - ከም ምኽንያት ይጥቀሱ’ዮም። ብተወሳኺ፡ ቅድም ኢሉ ኣብ ከባቢ ኣፍ ልቢ ዝተገብረ ራዲዮቴራፒ ነዚ ሕማም ከቃልዕ ከም ዝኽእል ኣገልግሎት ጥዕና ዓዲ እንግሊዝ ይገልጽ። ደቂ ተባዕትዮ፡ ነዚ ሕማም ዘለዎም ስግኣት ንምንካይ ተመጣጣኒ መግቢ ክምገቡ፡ ልዕሊ ዓቐን ክብደት ከይህልዎም ምክትታል ክገብሩን ልዕሊ ዓቐን ኣልኮል ከይሰትዩን ይምከር። መንሽሮ ጡብ ብዘርኢ ይመሓላለፍ’ዶ? ዶክተር ከበበ ከም ዝብሎ፡ 20 ሚእታዊት መንሽሮ ጡብ ብዘርኢ ዝመሓላለፍ’ዩ። እዚ ድማ፡ ኣደ፡ሓፍቲ ወይ ቈልዑ በቲ ሕማም እንተ ተለኺፎም ኣባል እቲ ስድራቤት ዝዀነት ጓል ኣንስተይቲ ነዚ መንሽሮ ናይ ምቅላዕ ዕድላ ሰፊሕ’ዩ። ብተወሳኺ፡ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ፡ ምዝውታር ኣልኮላዊ መስተ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይምግባር፡ ንነዊሕ ሰዓታት ኰፍ ምባልን፣ እታ ሓንቲ ጡብ ብመንሽሮ ተለኺፉ እንተዀይና ነታ ካልኣይቲ ናይ ምትሓዝ ዕድላት ክሰፍሕ ይገብሩ። ጡብ ዘይምጥባው'ውን ነዚ ሕማም ካብ መንጐ ዘቃልዑ ምኽንያታት'ዩ ተባሂሉ ይጥቀስ። “ጡበይ ዓቢ’ዩ፤ ንመንሽሮ ዘቃልዓኒ’ዶ ይኸውን? ዶክተር ከበበ፡ ጡብ ዓቢይ ስለ ዝዀነ ጥራይ ንመንሽሮ ዝተቓልዐ ከም ዘይከውን ንእሽቶ ስለ ዝዀነ ድማ ካብ መንሽሮ ከም ዘይተርፍ ይዛረብ። “ጡብ ካብ ሰለስተ ነገራት’ዩ ዝፍጠር። መንሽሮ ጡብ ድማ ካብቲ ጸባ ዘመንጩ ቲሹ እምበር ጡብ ብምዕባዩ ኣይኰነን” ኢሉ። መትሓዚ ጡብከ? ክሳብ ሕጂ መትሓዚ ጡብ ምግባር፡ ንመንሽሮ የቃልዕ’ዩ ተባሂሉ ብወግዒ ዝተፈልጠ ነገር ከም ዘየሎ ሰብ ሞያ ሕክምና ይዛረቡ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እዚ ሕማም ምስ ጀነቲክ ዝተሓሓዝ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ደጋዊ ክፍሊ ኣካላትና ምስ ዝግበሩ ነገራት ዝትሓሓዝ ጉዳይ የብሉን። መንሽሮ ጡብ ክፍወስ ዝኽእል ሕማም ድዩ? መጀመርታ ክንፈልጦ ዝግብኣና ጉዳይ፡ መንሽሮ ጡብ ክሕከምን ክፍወስን ዝኽእል ሕማም’ዩ ይብል ዶክተር ከበበ። እዚ ግን፡ እቲ ሕማም ኣብ ውሽጢ ሰብነትና ሱር ከይሰደደ እንተ ተፈሊጡ ጥራይ እዩ። ብእዋኑ ተፈሊጡ ክብሃል ዝኽእል መዓስ ምዃኑ ከብርህ እንከሎ፡ “መንሽሮ ጡብ ኣርባዕተ ደረጃታት ዘለውዎ ኰይኑ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ደረጃ እቲ መንሽሮ ኣብ ዝቦቘለሉ ክፍሊ ሰብነት ዝርከብ’ዩ። እቲ መንሽሮ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ እናሃለወ እንተ ተፈሊጡ ብእዋኑ ክፍወስ ይኽእል እዩ ማለት’ዩ። ሳልሳይን ራብዓይን ደረጃ እንተዀይኑ ናብ ትሽቱሽ ከምኡ’ውን ሳንቡእ ምስ ተዘርግሐ’ዩ ዝፍለጥ” ክብል የረድእ። ስለዚ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጡበን ዝዀነ ዓይነት ሕበጥ እንተርእየን ብቕልጡፍ ናብ ትካል ጥዕና ብምኻድ መርመራ መንሽሮ ክገብራ ኣለወን ይብል። መንሽሮ ጡብ መጀመርታ ክወጽእ እንከሎ ዝዀነ ዓይነት ቃንዛ ስለ ዘየስምዕ፡ “እዚኣ ንእሽቶ’ያ፣ ዋላ ሓደ ኣይከውንን ብዝብል ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሽዱሽተ ወርሒ ምጽናሕ” እቲ ሕማም ንኽስፋሕፋሕ ዕድል ምሃብ ምዃኑ እቲ በዓል ሞያ ይጠቅስ። ጡብና፡ ኣብ ዝዀነ እዋን መዓልታዊ ክንተናኽፎ እንኽእል ክፍሊ ሰብነትና እዩ። ስለ ዝዀነ ድማ፡ ዕድሚአን ትሕቲ 45 ዓመት ዝዀናን ወርሓዊ ጽግያት ዝርእያን ደቂ ኣንስትዮ “ወርሓዊ ጽግያተን መጺኡ ምስ ከደ፡ ወርሓዊ ጡበን ብኣግባቡ ብምፍታሽ ሕበጥ ምህላውን ዘይምህላውን ከረጋግጻ ኣለወን። ብፍላይ ዓቢይ ጡብ ዘለወን ላዕለዋይ ቆርበተን ጥራይ ብምትንኻፍ ዝገድፋኦ እንተዀይነን ክረኽባኦ ስለ ዘይኽእላ፡ ብግቡእ ምሉእ ብምሉእ ክፍትሻኦ ኣለወን” ክብል ዶክተር ከበበ የገንዝብ። ወርሓዊ ጽግያት ዘይርእያ እንተዀይነን ድማ፡ ኣብ ወርሒ ሓደ መዓልቲ ጡበን ብኣግባቡ ክፍትሻ ይመዓድ። “ዝዀነ ዓይነት ሕበጥ እንተርእየን፡ ቃንዛ እንተዘይሃለዎ’ውን ምልክት መንሽሮ ክኸውን ስለ ዝኽእል ናብ ሕክምና ክኸዳ ይግባእ።\" ብተወሳኺ፡ ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ብመንሽሮ ዝተጠቕዐ ሰብ እንተሃልዩን ዕድሚአን ልዕሊ 40 ዓመት እንተዀይኑን ዝዀነ ዓይነት ምልክት ኣብ ዝርእያሉ ግዜ ናብ ሕክምና ክኸዳ ይግባእ። መንሸሮ ጡብ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምልክት ሕበጥ እንከየርኣየ ኣብ ውሽጢ ሰብነትና ክጠፍእ ከም ዘይክእል ዝገልጽ ዶክተር ደበበ፡ ሓሓሊፉ ኸኣ እቲ ሕበጥ ንጡብ ገዲፉ ኣብ ትሽትሽ ክወጽእ ከም ዝኽእል ይዛረብ። ስለዚ፡ ኣብ ትሽትሽና ገጽ ክንፍትሽ ይግባእ። መንሽሮ ጡብ ኣብ ሰብነትና ምስ ተስፋሕፍሐ፡ ኬሞ ቴራፒን ካልኦት ዝተፈላለዩ ሕክምናታትን ይወሃቡ። በዚ ሰባት ክፍወሱ ይኽእሉ’ዮም። ደረጃ እቲ መንሽሮ ክውስኽ እንከሎ ግን እቲ ሕክምና’ውን ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ስለ ዝገብሮ፡ ኣቐዲምካ ምክትታል ይምዓድ።","category":"መንሸሮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3gpe24yp73o"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ሆስፒታል ዓይደር ብሰንኪ ኲናት ሕክምና መንሽሮ ጠጠው ኣቢሉ - ሓካይም","content":"ኣብ ትግራይ እቲ ዝዓበየ ሆስፒታል ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ጎንጺ ሕሙማት መንሽሮ ብህይወት ንምጽናሕ ዘኽእሎም ሕክምናዊ ረድኤት ንምርካብ ከም ዝተጸገሙ ገሊጹ። ሓካይም ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ንቢቢሲ ከም ዝበሉዎ፡ ብምኽንያት ካብ መርመራ ቤተ ፈተነ [ላባራቶሪ] ክሳብ መድሃኒት ኬሞቴራፒ ሕጽረት ብምህላዩ ልዕሊ 1700 ሕሙማት መንሽሮ ንሓደጋ ሞት ተቓሊዖም ይርከቡ። እቲ ሆስፒታል፡ ንትሸዓተ ሚሊዮን ህዝቢ ትግራይ ኣገልግሎት ዝህብ ዝነበረ ኮይኑ፡ ብምኽንያት እቲ ንልዕሊ 17 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ስርዓት ጥዕና እቲ ክልል \"ኣብ ኣፍ ዕንወት\" እዩ ዝርከብ ክብሉ እቶም ሰብ ሞያ ተዛሪቦም። እቲ ሕጂ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕን ሕሙማት መንሽሮ ዝረኽቡዎ ኣገልግሎት ንምምሕያሽን ድማ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣገደስቲ ቐረባት ክልእኸሉ እቲ ሆስፒታል ሓቲቱ። ዘለውዎ ጸገማት እንተዘይተፈቲሖም ግን፡ እቲ ሆስፒታል ንህጻናትን ኣባጽሕን ሕሙማት መንሽሮ ሕክምና ክህበሉ ኣብ ዘይኽእል ደረጃ ከይበጽሕ ስግኣቶም ገሊጾም። ሆስፒታል ዓይደር ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት'ዩ ክፍሊ ሕክምና መንሽሮ ከፊቱ።","category":"መንሸሮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60992631"} {"headline":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ፡ መንሽሮ ኦቫሪያን እንታይ'ዩ?","content":"ሓደ ካብቶም ንትዕግስቲ መጥባሕቲ ዘካይዱላ ዝነበሩ፡ አእዳው ብደም ዝተዓለሰ ጓንቲ ዝወደየ ሓኪም፡ \"ትዕግስቲ ብዙሕ ደም ስለ ዝፈሰሳ፡ ሽዱሽተ ደም ዝህቡ ሰባት ኣምጽእ\" ክብል ነቲ ኣብ መጸበይ ሕሙማት ኰይኑ ከብዱ ሓቑፉ ብተስፋ ዝጽበ ዝነበረ በዓል ቤታ ድቦላ ትእዛዝ ኣውደቐሉ። በዚ ዝሰምበደ ሙሉጌታ፡ ኣብታ ንበዓልቲ ቤቱ ከሐክም ዝገሻ ሃገረ ሱዳን ብዘይካ ሓደ ሰብ ካልእ ስለ ዘይፈልጥ ዓቕሉ ጸበቦ። እታ ብሕማም መንሽሮ ዝተሃስየት ዘፍቅራ በዓልቲ ቤቱ ርእዩ ከይስእና ብምስጋእ ናብቲ ጸግዐይ ዝብሎ ሰብ እናጎየየ ከይዱ እቲ ዝተባህሎ ነገሮ። \"ኣጆኻ ጸገም የለን ገበርቲ ሰናይ ኣይክንስእንን ኢና\" ኢሉ ኣረጋጊኡዎ። ሰባት ሓታቲቶም ከኣ ካብቲ ዝተባህሉዎ ንላዕሊ ወለንተኛታት ለገስቲ ደም ሱዳናውያን ሒዞም ናብቲ ሕክምና ከዱ። እቲ ሓኪም ነቶም ወሃብቲ ደም ሱዳናውያን ምስ ረአየ፡ \"እዚ ኩሉ ናይ ሱዳናውያን ደም እንተወሲዳ ድሕሪ ሕጂ፡ ሱዳናዊት እምበር ኤርትራዊት ኣይኰነትን\" ክብል ብምጭራቕ ነቶም ለገስቲ ደም ኣመስጊኑዎም። ድሕሪ ነዊሕ ትጽቢት እታ ሞተት ሰረረት እትበሃል ዝነበረት ትዕግስቲ ኣብ መጥባሕቲ ንዝተገብረላ መደቀስን መደንዘዝን መድሃኒት ምስ ተበራበረት፡ ነቲ ምስ ንብዓቱ እናተቓለሰ ንድሕነታ ጸሎቱ ዘዕርግ ዝነበረ በዓል ቤታ \" እንደገና ርእየካ!\" ክትብል ብድኹም ፍሽኽትኣ ፍቕራ ገሊጻትሉ። ንሱ ከኣ ብክቱር ሓጎስ 'ኩል ግዜ ክትርእይኒ ኢኺ' ኢሉዋ\" ክብል መለሰላ። ሙሉጌታ በርሀ ከም ማንም ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ሳዋ ተዓሊሙ ፈለማ ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ካብኡ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ክፍሊ ፋይናንስ ተመዲቡ ሰሪሑ። ጐድኒ ጐድኑ ከኣ ኣብ ኣስመራ ሞዴርና ኣብ ዝተባህለ ካፌ ከም ኣካያዲ ስራሕ ይዓዪ ነይሩ። ትዕግስቲ ዮውሃንስ'ውን፡ ኣብቲ ንሱ ዝሰርሓሉ ቤት ጽሕፈት ትሰርሕ ነይራ። ግን ሙሉጌታ ግን ብፍቕሪ ስለ ዘይጠመታ ብዙሕ ኣቕሊቡላ ኣይፈልጥን ነይሩ። ንሳ ግን ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል እናሰርሐ ኣብታ ብሓባር ዝግልገሉላ ዝነበሩ መመላለሲት መኪና (ሰርቪስ) ትርእዮ ስለ ዝነበረት ክትፈትዎ ጀሚራ። ዳሕራይ ትዕግስቲ ኣብ ትርፊ ግዜኣ ኣብቲ ናይ ቤተሰቡ ካፌ ተቐባሊት ሕሳብ [ካሼር] ኮይና ምስ ተቐጽረት \"ሻሂ . . . ምሳሕ . . . ድራር\" እናተበሃሃሉ ንሓድሕዶም ክፋለጡ ጀሚሮም። ፍቕሮም እናዓሞቐን እናሞቐን ምስ ከደ ብ2014 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ካብ ቀረባን ርሑቕን ዝተዓደመ መቕርብን ፈታውን ኣብ ዝተኣከበሉ ውራይ \"ፈረይትን ጸገይትን ይግበርኩም\" ተባሂሎም ተመሪቖም ተመርዕዮም። ሕጽኖቶም ግን ብሰንኪ ዘይገመቱዎ ሕማም ትዕግስቲ ከም ዝተጸበዩዎ ኣይኮነን። ትዕግስቲ ከብዳ ክሓብጥ ጀሚሩ። ኣብ እዋን መርዓ እውን እንተኾነ ብዙሓት ካብ ቤተሰብ ነቲ ግዝፊ ከብዳ ምስ ጥንሲ እዮም ኣተኣሳሲሮሞ ነይሮም። ግን ከምቲ ብዙሓት ዝተመነዩሎም ኣይኮነን። እቲ ናይ ጥዕና ጸገም ርኡይ ምስ ኮነ ናብ ሕክምና ተጓይዮም። ኣብ ኣስመራ ኩሉ ናይ ማህጸን ሕክምና እኳ እንተበጽሑዎ እዚ እዩ ሕማማ ስለ ዘይተባህሉ ተተሓሒዞም ንሱዳን ወጺኦም። ሓካይም ካርቱም ከኣ ሕማም ትዕግስቲ መንሽሮ ማህደር እንቋቑሖ [Ovarian cancer] ምዃኑ ነጊሮምዎም። ሽዑ ኣዝዮም ሰንቢዶም። ግን ብዘይካ ነቲ ሕማም ተቐቢልካ ሕክምናዊ ረድኤትን ክንክንን ምግባር ካልእ ኣማራጺ ስለ ዘይነበሮም ተቐቢሎምዎ። ሙሉጌታ ከኣ ብኹሉ ዓቕሙ ይከናኸናን የተባብዓን ነይሩ። ማህጸን ዝተፈላለዩ ክፍልታት ከም ዘለውዎ ዝገልጽ ክኢላ ማህጸንን ጥንስን ዶክተር ዳዊት መስፍን፡ ማህጸን፣ ሻምብቈታት፣ እንቋቑሖ ዝጻግየሉ ቦታ ወይ'ውን ኦቫሪ ከም ዝኾኑ የረድእ። መንሽሮ ኦቫሪ ዝብሃል ድማ፡ ኣብቲ እንቋቑሖ ዝጻግየሉ ክፍሊ ዘለው ዋህሳት ትኽክለኛ ናይ ምርባሕ ዘዴ ወጻኢ ኮይኖም ክዓብዩ እንከለውን እዞም ዘይስሩዕ ብዝኾነ መገዲ ዝዓበዩ ዋህዮታት ድማ ክባዝሑ እንከለው ዝፍጠር ዓይነት መንሽሮ እዩ። እዚ መንሽሮ፡ ኣብ ዓለም ብምቕታል ኣብ ሓምሻይ ደረጃ ዝተሰርዐ ምዃኑ እቲ በዓል ሞያ የረድእ። ዶክተር ዳዊት፡ ደቂ ኣንስትዮ ንመንሽሮ ኦቫሪ ዝቃልዓሉ ምኽንያት እቲ ሓደ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ ሰብነት ከም ዝኾነ ይጠቅስ። ካልእ ዕድመ እዩ፤ ዚ መንሽሮ ዕድሚአን ልዕሊ 50ን 60ን ኣብ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥመሉ ዕድል ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ ይብል። ብተወሳኺ ዘይተመርዓዋ፣ ጠኒሰን ዘይፈልጣ ወይ ድማ ቈልዑ እንከለዋ ወርሓዊ ጽግያት ክርእያ ዝጀመራ ደቂ ኣንስትዮ ነዚ መንሽሮ ኣዝየን ተቓላዕቲ ከም ዝኾና ዶክተር ዳዊት ይዛረብ። ከም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኣመሰሉ ዝበዝሕ ሕብረተሰብ ሳልሳይ ዓለም ሓሚሙ ማእሲ ከይሓዘ ኩነታት ጥዕንኡ ክፈልጥ ናብ ሕክምና ናይ ምኻድ ልምዲ የብሉን። ብፍላይ ከም መንሽሮ ዝኣመሰሉ ሕማማት ከኣ ደንጕዮም እዮም ዝፍለጡ። ገሊኦም ሕማማት እውን ብሽሞም ኣይጽውዑን እዮም። ንኣብነት ሕብረተሰብና ንመንሽሮ፡ 'እታ ግናይ' እናበለ'ዩ ዝጽውዖ። ካብዚ ብዝብገስ መብዛሕትኡ ብዛዕባ ከምዚኦም ዝበሉ ሕማማት ዘለዎ ግንዛበ ውሑድ እዩ። ሙሉጌታ'ውን፡ \"መጀመርታ ክብደት ናይቲ ሕማም ዝምልከት እኹል ኣፍለጦ ስለ ዘይነበረና፡ ማዕረ ክንድ'ዚ ገፊሕን ኣሸጋርን ምንባሩ ኣፍልጦ ኣይነበረንን። ኣብቲ ሕማም ምስ ኣተናዮ እየ ተሞኩሮ ረኺበሉ። ክሕዘካን ክቐትለካን ሓደ ኮይኑ'ዩ ዝስምዓኒ ነይሩ\" ይብል። ትዕግስቲ፡ ዘለዋ ጸገም ክንገራ እንከሎ ግን ከየማትአት፣ ተስፋ ከይቖረጸት ተቐቢላቶ። ሙሉጌታ ግን፡ እቲ ብምውቕ ፍቕሪ ዝመስረቶ ህይወትን ሓዳርን ገና ኣብ ምጅማሩ ብፈተና ምጅማሩ ኣሰንቢዱዎ። በዓልቲ ቤቱ፡ ሕማም መንሽሮ ከምዘለዋ ክትንገር እንከላ ጓል 25 ዓመት እያ ነይራ። ንዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ከኣ ምስ መንሽሮ ማህደር እንቋቑሖ [Ovarian cancer] ከቢድ ቃልሲ ከተሕልፍ ጸኒሓ። ንሓሙሽተ ዓመታት፡ ኣብ ሱዳን ሕክምናዊ ክትትል ዝገብሩላ ዝነበሩ ሓካይምን ብዙሓት ዝፈልጡዋ ሰባትን 'ሓቦኛ ተቓላሲት' እናበሉ ይንእዱዋ ነይሮም። \"ህይወት ጥዑም ጥራይ ዘይኮነ እቲ ሕማቕ'ውን ክተስተማቕሮ ከም ዘለኻ ሽዑ እየ ፈሊጠ። ጸጽብቑ እናሓሰብና ንነብር ስለ ዝነበርና እቲ ዘጋጠመና ኩነታት ዝምከት ኮይኑ ኣይስምዓንን ነይሩ፤ ሳላ ናታ ሞራል ግን ክሳብ መወዳእታ ኢድና ከይሃብናን ተቓሊስና\" ይብል ሙሉጌታ። ቀለበት ብዙሓት፡ ሰብ ሓዳር፡ 'ኣብ ክፉእካን ጸጋኻን፣ ኣብ ሕማምክን ጥዕናኽን ክሳብ ብህይወት ዘለና ካብ ጎንኻ\/ኺ ኣይፍለን' ብዝብል ማሕላ ቃል ኪዳን ዝተኣስረ'ዩ። እዚ፡ ዝበዝሕ ክፋል ህዝቢ ዓለም እቲ ኣብ ሓዳር ነቕ ዘይብል፣ ከም ብዋዛ ዘይፈርስ ቃል ምድርን ሰማይን ገይሩ ዝተቐበሎ ማሕበራውን ሃይማኖታውን ስርዓት እዩ። ከይሓመመ ክነብር፣ ወሊዱን ዘሚዱን እናተሓጎሰ ጥራይ ክነብር ዘይደሊ እሞ መን ኣሎ? ትዕግስቲ፡ እቲ ውላድ ከፍሪ ዝኽሊ ክፍሊ ኣካላ'ዩ ብከቢድ ሕማም መንሽሮ ተጠቒዑ። ብክልተ ጥቅምቲ 2014 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ፈላማይ መጥባሕቲ ክትገብር እንከላ ካብቲ ማህደር እንቋቑሖ ሽዱሽተ ኪሎ ግራም ዝምዘን ሕበጥ'ዩ ተኣልዩ። ማህደር እንቋቑሖ ደቂ ኣንስትዮ የማንን ጸጋምን ክፍሊ ዘለዎ ኮይኑ፡ ጸጋማይ ኦቫሪ ትዕግስቲ ኣዐርዩ ተጎዲኡ ስለ ዝነበረ፡ ብመጥባሕቲ ክእለ ግድን ኮይኑ። ሓካይም ሱዳን ናይ ምውላድ ተኽእሎ ክህሉ ስለ ዝኽእል እታ ካልአይቲ ኦቫሪ ኣብ ቦትኣ ክትጸንሕ እኳ እንተፍቀዱ፡ ምስ ግዜ እታ ካልኣይቲ'ውን እቲ ሕማም ስለ ዘጥተቅዓ ምፍራይ ኣቋሪጻ። ብኡ ምኽንያት ወርሓዊ ጽግያት'ውን ኣቋሪጹ። እቲ፡ መንሽሮ ንምሕካም ዝውሰድ ሕክምና ኬሞቴራፒ'ውን ናይ ባዕሉ ጽልዋ ስለ ዘሕድር፡ እቶም ለውጢታት ቀለልቲ ከም ዘይነበሩ ሙሉጌታ ይገልጽ። \"ኩሉ ተደማሚሩ፡ ነቲ ዝነበረና ናይ ውላድ ሃረርታ ከቢድ ገይሩዎ። ኣነ ግን ይፈትዋን የፍቅራን ስለ ዝነበርኩ ብዛዕባ ውላድ ምሕሳብ ረሲዐዮ እየ። ኣዝያ ስለእተሓልየለይ ኣነ ከኣ ዝደለየቶ ክኾነና እፍትን ነይረ\" ይብል። ሓካይም ንትዕግስቲ ሰለስተ ግዜ ብመጥባሕቲ ዓበይቲ ሕበጥ ኣልዮም ኬሞቴራፒ ይህቡዋ ነይሮም። \"ንሳ፡ ዋላ እቲ ሕማም ምስ ኣጋጠመ'ውን ሞራላ ልዑል'ዩ ነይሩ፤ ብናታ ሞራል እየ ንዓኣ ክኣሊ ተገዲደ እምበር መጀመርያ እቲ ሕማም ምስ ፈለጥኩዎ ተሰሚዑኒ ብጣዕሚ'የ ኣምሪረ። ንሳ ግን እዚ ሰብ ይሓምም ይሓዊ፤ ናይ ኣምላኽ ነገር እዩ ኢላ ሞራል ኣስኒቓትኒ። ካብ ሽዑ ኣትሒዘ ምስኣ ገጥ ክብል ከም ዘለኒ ንኣእምሮይ ኣእሚነዮ፤ እቲ ፍቕርን ክብርን ናታ ንዓይ ሓቦ ሂቡኒ\" ይብል ሙሉጌታ። መንሽቶ ኦቫሪያን ወይ እንቋቑሖ ኣብ ዝፈርየሉ ክፍሊ ዘጋጥም ዓይነት መንሽሮ ዝተፈላለየ እዩ። ዶክተር ዳዊት ከም ዝብሎ፡ እቲ እንቋቑሖ ኣብ ዝፈርየሉ ክፍሊ ዘጋጥም ሕበጥ ጉድኣት ዘስዕብን ዘየስዕብን ብዝብል ክርኣ ይኽእል። እቲ ጉድኣት ዘየስዕብ ሕበጥ፡ ኣብቲ እንቋቑሖ ዝጻፍየሉ ክፍሊ ማይ ብምዕቛር ካብ ሰለስተ ክሳብ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ዘሎ ግዜ ይጠፍእ። እዚ፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ንክትትል ጥንሲ ወይ ካልእ ሕክምና ኣልትራሳውንድ ኣብ እትልዓለሉ ጊዜ ዝፍለጥ ከም ዝኾነን ምልክት ከም ዘየርእን ሓቢሩ። እቶም ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ዝቕየሩ ዓይነታት መንሽሮ ኦቫሪያን ድሕሪ ብዙሕ ግዜ'ዮም ዝፍለጡ። ስለዚ፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ናብ ሕክምና ኣብ እትኸደሉ እዋን ከብዳ ሓቢጡ፣ ማይ ዓቚሩን ዓብዪ ሕበጥ ኮይኑ ክኸውን ይኽእል። ብኻልእ ወገን፡ ሕበጥ ከየርኣየ ናይ ሑቘ ሕመም፣ ኣብ ከባቢ ማህጸን ወይ ምሕኵልቲ ቃንዛ ተሰሚዑዋ ናብ ሕክምና ክትኸይድ ትኽእል እያ። እዚ መንሽሮ፡ ወርሓዊ ጽግያት ምርኣይ ኣብ ዘይጀመራ ኣዋልድ ከጋጥም ከም ዝኽእል እቲ በዓል ሞያ ይጠቅስ። ዕድሚአን፡ ኣብ 30ታት፣ 50ታትን 60ታትን ኣብ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ከጋጥም ይኽአል። እተን ኣብ 50ታትን ልዕሊኡን ዘለዋ፡ ከብደን ሓቢጡ ናብ ሕክምና ከም ዝኸዳ ዝገልጽ ዶክተር ዳዊት፡ እተን ኣብ 30ታት ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ደም ፈሲሱወን ወይ'ውን ኣብ ከብደን ሕበጥ ሓቢጡ ከም ዝኾነ የረድእ። ትዕግስቲ፡ ኣብቶም ናይ መጀመርታ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ሱዳን ሕክምና እናገበረት እንከላ ጥዕንኣ ምምሕያሽ ከርኢ እንከሎ ብዘይ ዝኾነ ሓገዝ ናብ ኤርትራ ብምኻድ ቤተ ሰብ ትሓትት፣ ከም እምነታ ማይ ጸሎት ትሕጸብ፣ ትገይሽ ዕድላት ትረክብ ነይራ። ብ2019 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ንዝሓሸ ሕክምና ናብ ካናዳ ግዒዞም። እንተኾነ፡ እቲ ክውንነትን ትጽቢትን በበይኑ ኮይኑ ስለ ዝጸንሖም ከቢድ እዋን ከም ዘሕለፉ በዓል ቤታ ሙሉጌታ ይዛረብ። \"ንካናዳ ክንመጽእ ንከለና ጥዕይቲ ሰብ ኮይና እያ ኣትያ፤ ካልጋሪ መጽእና ክትሓዊ'ያ ዝብል ተስፋ ነይሩኒ፤ ኣብ ሱዳን ኮይነ ኣብ ቱርኪ፣ ሜክሲኮ ምስ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ይራኸብ ነይረ። ተዳኺማ እናርኣኹዋ ክትሓዊ'ያ እየ ዝብል እምነት ነይሩኒ\" ይብል ሙሉጌታ። ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ንዝሓሸ ሕክምና ናብ ካናዳ ምስ ከዱ፡ ሓካይም \"ንክልተ ወርሒ ጥራሕ ኢኺ ብህይወት ክትነብሩ ዕድል'ዩ ዘለኪ\" ኢሎማ። እንተኾነ ሕክምናዊ ክትትል እናገበረት ንልዕሊ ሓደ ዓመት ጸኒሓ። ንሙሉጌታ፡ ንሕሙም መንሽሮ እቲ ዝዓበየ ግድል፡ መነባብሮ ወይ ገንዘብ ጥራይ ዘይኮነ ሞራል እዩ። ብፍላይ እቲ ንሕሙም መንሽሮ ዘድልዮ ኣብ ጎኑ ኮይንካ ሞራል ምሃብ'ዩ፤ ከምኡ እንተኾይኑ ናይ ምሕዋይ ተኽእልኡ ዓብዪ እዩ ዝብል። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ክብደት እቲ ሕማም ብዘየገድስ ስነ ልቦናዊ ኩነታት በዓልቲ ቤቱ ንምሕላው ኣብ ዝሕግዙዎ ነገራት ትኹረት ከም ዝገብር ይዛረብ። \"እንትርፎ ብስራሕ ወይ ብኻልእ ጉዳይ እንተዘይተኣልየ ንሓሙሽተ ደቒቕ ካብኣ እንተተኣልየ ብጣዕሚ'የ ዝስንብድ፤ ብፍላይ ናታ ቴሌፎን እንተተደዊሉ ገለ ኮይና ኣላ ማለት እዩ ኢለ ሃለዋተይ የጥፍእ፤ ምኽንያቱ እቲ ሕማም የዘንግዐካ እዩ፤ ሓውዮም ጥዕዮም እናበልካዮም ዝቐትል ስለ ዝኾነ ከምኡ ዓይነት ሻቕሎት እንተዘይኮይኑ ተስፋ ቖሪጸ ኣይፈልጥን\" ኢሉ። ወሲኹ፡ \"ንዓ'ውን ተስፋ ምቑራጽ ኣርእየያ ኣይፈልጥን እየ፤ ናይ ህይወት መምህረይ እያ ነይራ፤ ኩሉ ካብኣ እየ ተማሂረዮ። ንሳ ንዓይ 'ኣጆኻ ፍቅር ክሓዊ እኮ'የ' እያ ትብለኒ። ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዳ ስለ ዝዓበየት ፍቅር ጥራይ እንተዘይኮይኑ ብሽመይ ጸዊዓትኒ ኣይትፈልጥን . . . [ነዊሕ ስቕታን ብኽያትን] . . .\"። ብደረጃ ዓለም፡ ሕማም መንሽሮ እቲ ዝዓበየ ምኽንያት ሞት ሚሊዮናት ኮይኑ፡ ኣብ 2020 ጥራሕ ኣስታት 10 ሚሊዮን ሰባት በዚ ሕማም ከም ዝሞቱ መረዳእታ ውድብ ጥዕና ዓለም የመልክት። ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብዝተፈላለዩ ዓይነታት መንሽሮ ከም ዝጥቅዓ ሰብ ሞያ ይገልጹ። ሙሉጌታን በዓልቲ ቤቱን፡ ንሸውዓተ ዓመታት ምስዚ ሕማም ክቃለሱ እንከለው ካብ ዝሓገዞም ነገራት እቲ ሓደ ክቕበሉዎ ምኽኣሎምን ግቡእ ሕክምናዊ ክትትል ምግባሮምን ከም ዝኾነ ይዛረብ። \"ቀሊል ኣይኮነነን። ብዙሕ ነገር ርኢና ብዙሕ ተማሂርናን ፈሊጥናዮን ኢና፤ ምሟትን ምጽናሕን ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ ኮይኑ እንተተቐቢልካዮ ግን እቲ ዝዓበየ ፍወሳ እዩ። ምስቲ እትወስዶ መድሃኒታት ተሓዋዊሱ ናይ ምጽናሕ ተክእሎኻ ይውስኸልካ\" ይብል። ስለዚ ክሳብ መወዳእታ ተስፋ ኣይቆረጸን። ክልቲኦም፡ ጌና ኣብ ሕጽኖት እንከለው ዝፈለጡዎ ሕማም ስለ ዝኾነ፡ እቲ ንዓመታት ዝብድሆም ዝነበረ ኣካላውን ስነ ኣእምሮኣውን ግድላት'ውን ንማሙቕ ፍቕሮም ኣየዝሓሎን። \"ናይ ምውላድ ተኽእሎ ኣየጋጠመናን [ነዊሕ ስቕታ] . . . ንዓይ ብኣካል እምበር ብመንፈስ ጥዕይቲ እያ ነይራ። ስለዚ ብዛዕባ ውላድ ይኹን ምስ ውላድ እዩ ሙቁር ዝብል ኣብ ሓንጎልና ኣይነበረን፤ ጥዕና እንከሎ እዩ ኩሉ ነገር ክትገብሮ እትኽእል፤ ሽማ ክንዲ ኩሉ ነገራ . . . ዘይሃስስ እዩ\" ይብል። ሙሉጌታ፡ ኣብዚ ህሞት ስምዒታቱ ክትንከፉ ስለ ዝጀመሩ፡ ብሙሉእ ልቡ ከውግዕ ኣይክኣለን። ትዕግስቲ፡ ብ25 ግንቦት 2021 ብሰንኪ እቲ ዝነበራ መንሽሮ ማህደር እንቋቑሖ ህይወታ ሓሊፉ። \"ኣብ ቅድሚ ንዝኽራ ዝወላዕኹዎ ሽምዓ ኮይነ'የ ዘዕልለኪ ዘለኹ . . . [እህታን ብኽያትን] . . . እዚ ኩሉ ዓመታት ተስፋ ዘይቆረጽኩ ኣብ ኢደይ ክትመውት እንከላ እየ ተስፋ ቖሪጸ። ምስ ሞትኩ ካብ ጥቓካ ከይተርሕቀኒ ስለ ዝበለትኒ ኣብዚ እያ ተቐቢራ፤ ብዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት እናኸድኩ ኩል ግዜ ይበጽሓ\" ክብል ሓዘን ብዝሰበሮ ስምዒት ይዛረብ። ኣብዚ ዓለም፡ ደቂ ኣንስትዮ ዝሓልፍኦ ከቢድ ህይወት ኣብ በዓልቲ ቤተይ ርእየዮ እየ ዝብል ሙሉጌታ፡ ብፍላይ ምስ ሕማም መንሽሮ ብዙሕ ዋጋ ዝኸፍላ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዘጋጠምኦ ይጠቅስ። \"እዚ ሕማም ዝሓዞ ኩሉ ይመውት ማለት ኣይኮነን፤ ኣብ ሱዳን ሕክምና ገይረን ሓውየን ክሳብ ውላድ ዝበጽሓ ዝፈልጠን ኣለዋ\" ኢሉ። ብኻልእ ወገን፡ ብዙሓት ግዳያት እዚ ሕማም ንሕክምናን ካልእን ብዙሕ ወጻኢታት ከም ዝቃልዑ ይፍለጥ። ብፍላይ መጥባሕቲ ንምግባርን ካልኦት ሕክምናታት ንምርካብን ናብ ሃገራት ወጻኢ ተላኢኾም ብዙሕ ገንዘብ ክሕተቱ ይስማዕ። ኤርትራውያን ድማ፡ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ትሕተ ቕርጺ ሕክምና ናብ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ቱርኪ፣ ካናዳን ካልኦት ሃገራት ወጻእን ብምኻድ እዮም ዝሕከሙ። ብዙሓት ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዲያስፖራ ድማ፡ ብገንዘብን ካልእ መገዲታትን ክሕግዙ ይርኣዩ። ሙሉጌታ'ውን፡ ንዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ጎኑ ኮይኖም ገንዘባውን ሞራላውን ሓገዝ ንዝገበርሉ ብዙሓት ኤርትራውያን፣ ሱዳናውያን፣ ኢትዮጵያውያንን ካልኦትን ዘለዎ ምስጋና ልዑል እዩ። እቲ ናይ ምትሕግጋዝ ባህሊ ክቕጽል ኣለዎ ዝብል ሙሉጌታ፡ ዘላቒ ፍታሕ ንምምጻእ ብፍላይ ድማ ሕሙማት ካብ ተወሳኺ ወጻኢታት ንምድሓን ግን ኣብ ኤርትራ ሕሙማት መንሽሮ ዝእለይሉ ማእከል ሕክምና ክህሉ ኣለዎ ይብል። \"ብሓገዝ ህዝብን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ማእከል ሕክምና መንሽሮ ተሰሪሑ ህዝቢ እቲ ካብ ዓዱ ወጺኡ ዘውጽኦ ዘሎ ገንዘብ ኣብ ዓዱ ኮይኑ እንተዝሕከሞ ደስ ምበለኒ፤ እዚ ሕማም ፖለቲካውን ኣረኣእያኻን ሃይማኖታዊ እምነትካን ዝሓትት ስለ ዘይኮነ ክልቲኡ ንጎኒ ገዲፍና ኩሉ ብሓደ ኮይኑ ምስ መንግስቲ ድዩ ካልኦት ወከልቲ ተዘራሪቡ ኣብ ኤርትራ ሓደ ማእከል ሕክምና ምተኸፈተ'የ ዝብል። ኣነ ን6 ዓመት ኣብ ካልእ ሃገራት ወጺአ ዘጥፋእኩዎ ግዜን ገንዘብን ኣብ ጎኒ ስድራቤተይ እንተዝኸውን ነይረ ብዙሕ ረብሓ ምሃለዎ\" ኢሉ። መንሽሮ ኦቫሪያን ልክዕ ከምቶም ካልኦት ዓይነታት መንሽሮ ብቐሊሉ ዝፍለጠሉ ዕድል ኣዝዩ ትሑት እዩ። ንፍላይ ኣብ ከም ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝበላ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት፡ ሰባት በብግዝኡ ሕክምናዊ ክትትል ስለ ዘይገብሩ ምስ ዘንግዐ እዩ ዝፍለጥ። ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ ዘለወንን ዘይወለዳን ደቂ ኣንስትዮ ግን ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው መርመራ ክገብራ ይምዓድ። ብፍላይ፡ ንመንሽሮ ጡብን መዓንጣን ዝተቓልዐ ኣባል ስድራቤት ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ንመንሽሮ ኦቫርያን ናይ ምቅላዕ ተኽእሎ ስለ ዘለወን ቅድመ ክትትል ክገብራ ኣለወን። ሙሉጌታ፡ ሕጂ ኣብ ካናዳ ዞባ ኣልቤርታ ከተማ ካልጋሪ እዩ ዝነብር። በዓልቲ ቤቱ ብሞት ካብ እትፍለዮ 11 ኣዋርሕ እኳ እንተሓለፉ፡ ፍርቂ ህይወተይ ንሳ እያ ነይራ ክብል ይዝክራ። \"ሕጂ ግን እቲ ንሳ እትሽፍኖ ባዶ ኮይኑ . . . [ዳግም ነዊሕ ስቕታን ብኽያትን] . . . ሕጂ'ዩ ከቢድ እምበር ኣብ ግዜ ሕማማ ንዓይ ከቢድ ኣይነበረን\" እዩ ዝብል። ከምኡ እናበለ ግን ሕጂ ናብ ስርሑ ተመሊሱ እዩ፤ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ 'ሆም ዲፖ' ዝተባህለ ዓብዪ ናይ መኽዝን ትካል ይሰርሕ ኣሎ። ጎድኒ ጎኑ ከኣ ኣብ ምምሕዳር መኽዝንን ሎጀስቲክስን ናይ ኦንላይን ትምህርቲ ይወስድ ኣሎ። ብዓብይኡ ግን፡ ሕሙማት ካንሰር ኣብ ምትሕግጋዝን ኣብ ዙርያ እቲ ሕማም ኣብ ዝስርሑ ናይ ግንዛበ ምዕባይ ስራሕትን ብምንጣፍ ወንለታዊ ሓገዛት ይገብር። \"ኣብ ገለ ናይ ወለንታዊ ተበግሶታት ማሕበረኮም ኤርትራውያን፣ ቤተክርስቲያን ተሳትፎ ይገብር እየ፤ ገለ ኮምፒዩተር ክመሃሩ ንዝደልዩ ኣባላት እቲ ቤተክርስቲያን ክኣ መሰረታዊ ስልጠናታት ኮምፒዩተር ይህብ። \"ዝተረፈ ክኣ ቁሩብ ምስ ኣዕርክተይ የሕልፎ። ከምኡ እናበልኩ እቲ ዝኽሪ [በዓልቲ ቤቱ] ኣብ ቦትኡ እንከሎ ህይወት ንምስትኽካል ይጽዕር ኣለኹ\" ይብል።","category":"መንሸሮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61375746"} {"headline":"ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት፡ ሰባት ካብ ብሕማም ልቢ ብዝያዳ ብመንሽሮ ይጥቅዑ","content":"ሕማም መንሽሮ፡ ዛጊት ዘተኣማምን መድሃኒት ዘይተረኽቦ ሕማም እዩ። ይኹን እምበር፡ ተመራመርቲ ርሑቕ ኣብ ዘይኮነ መጻኢ ዘተባብዕ መድሃኒት ክርከቦ ምዃኑ ይሕብሩ። ብዙሕ ግዜ ሕማም መንሽሮ እናክለዓል፡ ኣብ ሓንጎል ሰባት ቀልጢፉ ዝመጽእ ነገር ሞት እዩ። ይኹን እምበር ሓካይም ዓለም፡ ነቲ ሕማም ብደቂቕ ብምጽናዕ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዘተስፉ ምርምር የካይዱ ኣለው። ዋላኳ ቅልጡፍ እንተዘይኮነ፡ ክሳብ ሕጂ ከኣ ዘተባብዕ ምልክታትሲ ተረኺቡ እዩ። ላንሰት ኣብ ዝተባህለ ሕክምናዊ ጆርናል ዝተሓትመ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝተዛዘመ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ካንሰር ካብ ወቕዒ ልቢ ንላዕሊ እቲ ዝዓበየ ቀታሊ ሕማም ማእከላይ ዕድመ ምዃኑ ሓቢሩ። እቲ ኣብ 21 ዝማዕበላ ሃገራት ካብ 2005-2016 ዝተኻየደ ዓለማዊ መጽናዕቲ፡ ልዕሊ 50 ዝዕድመኦም ሰባት ካብ ብወቕዒ ልቢ ብካንሰር ከምዝጥቅዑ ሓቢሩ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ዓዲ እንግሊዝ ኣብቲ ዝተኻየደ ምርምራዊ መጽናዕቲ ኣይተጸንበረትን። ብዓለም ደረጃ፡ ሕማም ልብን ወቕዕን እቲ ቐንዲ ቀታሊ ሕማም ማእከላይ ዕድመ ሰባት እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዝርከቡ አህዛብ፡ ካብ ሕማም ልቢ ንላዕሊ ብሕማም ካንሰር ከምዝጥቅዑ ተመራመርቲ ሓቢሮም። ኣብተን ዘይማዕበላ ሃገራት ግን እቲ መጽናዕቲ በንጻሩ እዩ ዝነግር። ማእከላይ ዝዕደመኦም ሰባት ካብ ብሕማም ካንሰር፡ ዝያዳ ብወቕዒ ልቢ ይጥቅዑን ይጉድኡን። እቲ መጽናዕቲ ላንሰት ኣብ ዝተባህለ ናይ ምርምር ጆርናል እዩ ተሓቲሙ። እቶም ተማሃሮ ማስተርስ ዩኒቨርስቲ ካናዳ ዘካየዱዎ መጽናዕቲ፡ ካብ 2005 ክሳብ 2016 ኣብ ዘሎ ግዜ ህይወት ናይ 160 ሽሕ ሰባት እዮም ኣጽኒዖም። እቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተመዝገቡ ወለንተኛታት ሰባት እቲ መጽናዕቲ ክጅምር እንከሎ ብማእከላይ ገምጋም ዕደመኦም 50 እዩ ነይሩ። መጠን ሞት እቲ ሕማም፡ ኣብተን ትሑት ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ብኣስታት 11 ሽሕ ሞት ከምዝዛይድ እቲ መጽናዕቲ የረድእ። እቲ መጽናዕቲ ኣብ መወዳእታ ኣብተን ዝማዕበላ ሃገራት ዝርከቡ ሰባት ብሕማም ልቢ ዘይሞትሉ ቀንዲ ምኽንያት ምናልባት ዝሓሸ ሕክምናዊ ረድኤትን ክንክንን ስለዝረኽቡ ክኾን ከምዝኽእሉ ይግምት። ብዙሓት ሊቃውንቲ እቲ ዓውዲ፡ ንሕማም መንሽሮ ከምዝን ከምትን እንተገይርና ክንከላኸሎ ንኽእል ኢና ዝበል ውዱእ መጽናዕቲ እኳ እንተዘይብሎም፤ ሓደጋ ሕማም መንሽሮ ንምውጋድ ኣልኮላዊ መስተን ሽጋራን ምቁራጽ፡ ጥንቁቕ ኣመጋግባን ምንቅስቓስ ኣካላት ምዝውታር፡ ሚዛን ሰብነትና ምቁጽጻር ከይንኽስዕ ምጥንቃቕ፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ጨው፣ ሽኮርን ስብሕን ጥንቃቐ ክንገብር ይመኽሩ።","category":"መንሸሮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49631443"} {"headline":"ኤርትራ፡ ምስ መንሽሮ ን10 ዓመት ዝተጋጠመት ተጋዳሊት ዮርዳኖስ ሃይለ","content":"ዮርዳኖስ ሃይለ ኣብ ቃልሲ ሓርነት ኤርትራ ክቡር ንእስነታ ዝወፈየት፡ ድሕሪ ናጽነት ክሳብ ብስደት ዓዲ ተርሕቕ ኣብ ሃገራ ብተወፋይነት ዘገልገለት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ብኒሕን ሞራልን ንዝሓደራ ከቢድ ሕማም ብትብዓት ዝገጠመት ዘይትሕለል፡ ፈቃር፡ ለዋህ፡ ለጋስ፡ ኩሉ ዓይነት እወታዊ ቅጽላት ክገልጻ ዘይበቅዕ ፍትውቲ ሓፍትን መሓዛን እምንቲ ብጸይትን እያ። እቶም ኣብ ቑልዕነታ ዝፈልጡዋ መተዓብይታን መማህርታን፡ እቶም ኣብ ንእስነታ ኣብ ቃልሲ ዝፈልጡዋ ብጾታ፡ እቶም ኣብ ዲያስፖራ ኣብ ስደታ ብቐረባ ዝፈልጡዋ ሰባት ብኮኾብ እዮም ዝምስሉዋ - ብኹለንትናኣ ኮኾብ ስለዝኾነት። እቶም ከም ዮርዳ ንሽግርን መከራን ብፍቕርን ሕውነትን፡ ንጭንቅን ጸበባን ብትብዓትን ጽንዓትን ዝገጥሙዎ ላህመት ሕብረተሰብ ልክዕ ከምቶም ካብ ርሑቕ ኣርያም ንጸልማት ገሊሆም ንምድሪ ዘብርሁን ዘድምቑን ከዋኽብቲ ክምሰሉ ዘይግባእ ኣይኮነን። እቶም ብሽግር ዘይጸዓዱ ብመከራ ዘይርዕዱ ጽኑዓት፡ ብልግስን ፍቕርን ብሓልዮትን ክብርን ዝልለዩ ከም ዮርዳ ዝኣመሰሉ ሰሪሖም ሰሪሕና፡ ገይሮም ገይርና ዘይብሉ ትሑታት፡ ንዝተጸገመ ዝሕግዙን ዘተባብዑን፡ ንዝወደቐ ዘተንስኡን ዘቕንዑን፡ ንዝሓዘነ ዘጸናንዑን ዘበርትዑን ፈቃራት እንከለውን ምስ ሓለፉን ከምዛ ንምድርና ብብርሃን እተድምቓ ብሙቐታ እተሙቓ ኮኾብና ክምሰሉ ግቡእ እዩ። ዮርዳኖስ ሓንቲ ሰብ ኣይነበረትን - ብሰሓቓን ፍሽኽታኣን እተማሙቕ ጋንታ እያ። ምስ ዮርዳኖስ እንተሊኻ ጽምዋ ዝበሃል ነገር የሎን - ማሙቕ እያ። ምስ ዮርዳኖስ ኩራን ቂምታን የሎን - 'ገባር ክፉእ ንዕኡ ይኸፍኦ' በሃሊት ዮርዳ፡ ወትሩ ኣዎንታ ጥራሕ እያ ትሓስብ። ብሓጺሩ ዮርዳ እትረፍ እቲ ኣጸቢቑ ዝፈልጣን ዝቀርባን ሓንሳብ ዝረኣያን ዝተላለያን እንተኾነ እውን ዘይርስዓ። እዛ ብጸበባ ቃልሲ ዝተፈተነት ተጋዳሊት፡ ከም ሓፍቲ ፈቃር፡ ከም ብጸይቲ ጸዋር፡ ከም ሰብ ከኣ ደንጋጽ፡ እምንትን ጽንዕትን'ያ ነይራ። ንዮርዳኖስ ኣብ መፋርቕ ሰማንያታት ኣብ ክፍለ ሰራዊት 61 ኣብ ግንባር ናቕፋ እየ ዝፈልጣ። ኣብ ሓደ ናይ ምዝንጋዕ ኣጋጣሚ ብሰላምታ ዝጀመረ ሌላና ኣብቲ ዳሕራይ እዋን ዓሚቚን ደልዲሉን ነይሩ። ኣብ ዝተራኸብናሉ ኣጋጣሚ ከኣ ዕላልና ብዝኽሪ ብጾትናን ፍጻሜታትን ይደምቕ ነይሩ። እታ ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየት ዮርዳ ምስ ኩሉ ኣብ ቃልሲ ሓርነት ዝተሰለፈ ወዲ ኸተማን ገጠርን ጓሳን ሓረስታይን እትሳነ ሕውስቲ ብኹሉ እትፍቶ ቅብልቲ እያ ነይራ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዙሓት ካብቶም ንናጽነት ኤርትራ ዝተቓለስና ተጋደልቲ ብጾት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ሃገር ተሰዲድና ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ዓለም ስለዝተዘራእና ዮርዳ እውን ንዝሓለፈ 25 ዓመታት ኣቢሉ ኣቐዲሞም ምስ ዝተሰዱ አሕዋታ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ እያ አሕሊፋቶ። ኣብ ኣመሪካ ዓቕማ ኣማዕቢላ ኣብ ሕክምና እናሰርሐት ንብዙሓት ብርሑቕን ቀረባን እትፈልጦም ብጾታ ብንዋትን ሞራልን ብዝከኣላ ሓጊዛን ኣተባቢዓን እያ። ከም ዮርዳ ኣጆኻ - ኣጆኺ ዝብል ዘሎ ኣይመስለንን። ኩለንትናኣ ሞራል እዩ። ክንዲ እምባ ዝምግዛፉ ጸገምን ሽግርን ኣብ ቅድሚ ዮርዳ ቀሊል እዩ። ስለዝኾነት ከኣ እያ ብጸበባ ጸገምን ዘይትጭነቕ። \"ኩሉ ከከም ኣመጻጽኣኡ ክሓልፍ እዩ!\" በሃሊት ዮርዳ ኣብ ሓደ እዋን ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ኣጋጢሙዋ። ግን ነቲ ከቢድ ፈተነ ኣቕልል ኣቢላ ሒዛ \"ጸገም የሎን ኩሉ ክስገር እዩ። ደሓር ከኣ ብጾትና እኳ ዘለውዎ፡ ዕሸላት ቖልዑ ኣብ ፈቐዶ ሰሃራን ባሕርን እናጠፍኡስ ንሕና ግዳ ብዓቕምና ጸበባ ገድሊ ዝረኣና ካብ ብሱል ጥረ ዝወጻእና እንተሞትና እንታይ ጸገም ኣለዎ\" ብምባል ነብሳን ብጾታን እተጸናንዕ ፍልይቲ እያ ነይራ ዮርዳ። ኩሉ እቲ እትብሎ ናይ ልቢ እምበር ናይ ቃልዓለም ኣይነበረን። ኣብ መፋርቕ 90ታት ምስተፈላለና ኣብ 2009 ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ብኣካል ተራኺብና፡ ኣብቲ ዝነበረና ግዜ ብሓደ ቐኒና ሕሉፍና እናዘከርና ዛንታ ቐደም አዕሊልና-ስሒቕና ተጻዊትና። ብቴሌፎን ግን ንኤውሮጳ ካብ ዝኣቱ ኣትሒዝና ብቐጻሊ ኢና ንራኸብ ነይርና። ምኽራን ሞራላን ብቐጻሊ ዝጽበዮ መድሃኒት ህይወት ስለዝነበረ ኩሉ ሳዕ እየ ዝናፍቖ። ንዝሓመመ፡ ብተስፋ ንዝተፈተነ፡ ብናብራ ንዝተጸገመ ዮርዳ ፍልይቲ መድሃኒት እያ። \"ኣንታ ነብሲ እንታይ ኬንካ ደኣ ነብስኻ ተውድቕ፡ ክንደይ ነገራት እንድዩ ዘጋጥም፡ በዚ ቐሊል ነገር ክትጭነቕ፡ ናዓ ደኣ ብድድ በል፡ ንጸገም ገጽ ኣይትሃቦ\" ኩሉ ምኽራ ኣዎንታዊ እዩ። ኣብ ኣመሪካ ምስተራኸብና ዮርዳ፡ ንእሽቶ ናይ ጥዕና ጸገም ከም ዘጋጠመ ሕሹኽ ኢላትኒ። \"እዞም ሓካይም ሓደ ባህ ዘየብል ነገር ነጊሮሙኒ ይቃለሶ ኣለኹ። ክስዕሮ ኸኣ እየ\" ናይ ፍረታትን ኣሕምልትን ጽማቚ እናዳለወት ከኣ፡ \" ርኢኻ ከምዚ ዓይነት ጽማቚ ጽቡቕ እዩ። ኣይትርጎድ ከኣ፡ ኣይትእረግ፡ ነብስኻ ሓሉ፡ እዛ ኸብዲ ከኣ ኣጥፍኣያ!\" ክትብል ናይ ዓባይ ሓፍቲ ምኽሪ ለጊሳትለይ። እቲ ሕማም፡ መንሽሮ (ካንሰር) ምዃኑ ኣይጠፍኣንን። እቲ ሞራላን ጽንዓታን ስለዘሐጎሰኒ ከኣ \"ኣጆኺ ዮርዲና፡ ከምቲ ትብልዮ፡ ልዕሊ ኩሉ ሕማምካ ምፍላጥን ንሕማምካ ተቐቢልካ እንታይ ከምእትገብር ምፍላጥን እዩ ኣገዳሲ\" ኢለያ ነቲ ኣብ ሕክምና ዝነበርከሉ ግዜ ንሳን መሓዙታን እናደወላ ዝህባኒ ዝነበራ ቀጻሊ ሞራልን ምትብባዕን ነዚ ዛንታ እዚ ክምስክር ሓይሊ ኮይኑኒ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሕማም ኮሮና ኣብ ዝተወዓወዓሉ እዋን ኣብ ኣሜሪካ እየ ነይረ። እቲ ቐንዲ መገሻይ ንነዊሕ እዋን ዘይረኣኹዎም ስድራ-ቤት ክርኢ እኳ እንተነበረ ዝፈትዎም ብጾተይን አዕሩኽተይን ክረክብ እውን መደብ ነይሩኒ። ሓንቲ ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ሰሪዐያ ዝነበርኩ ሰብ ከኣ ዮርዳ ሃይለ እያ ነይራ። ምኽንያቱ ኣብቲ ብስራሕ ዝነብረሉ ሃገረ ኬንያ ንዮርዳ ብቐረባ እትፈልጣን ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ኣመሪካ ዝረኸበታ መቓልስታ ብጸይታ ተጋዳሊት ኣበባ ወልደ ዮሃንስ፡ ብዛዕባ ዮርዳ ብዙሕ ዘይፈልጦ ዝነበርኩ ነገራት ስለዘዕለለትኒ፡ እቲ ዝሰማዕኩዎ ዛንታ ንታሪኽ ክስነድ ስለዝደለኹዎ፡ ንዮርዳ ብኣካል ረኺበ፡ ምስኣ ገለ መዓልታት ኣሕሊፈ፡ ብንእስነታን ዝሓለፈቶ ጉዕዞን ተሞኩሮን ምስቲ ኣበባ ዘዕለለትኒ ዛንታ ከካትቶ ልዑል ባህጊ ነይሩኒ። ኣመሪካ ምስ ኣተኹ ቴሌፎን ደዊለላ - ዮርዳ ኣልዒላትኒ። ድምጻ ድኽም ኢሉ'ኳ እንተነበረ ሞራላ ግን ልዑል ነይሩ። \" ሳሚ እንቋዕ ደሓን መጻእካ\" \" እንቋዕ ደሓን ጸናሕኪ ዮርዲና\" ደሃይ ሓድሕድ ምስተለዋወጥና፡ ክርእያ ዝኽእል እንተኾይነ ሓቲተያ። \" ናይ ግድን እምበር፡ ኣብዚ መጺእካ እሞ ከይረኣኻኒ ኣይትምለስን ኢኻ። ዋላ ማስክ ጌርካ ትመጽእ\" ምስበለትኒ፡ ንቐዳመ ሰንበት ተቛጺርና። ምስቲ ዝሰምዖ ዝነበርኩ ድኹም ድምጻ ከምቲ ዝደልዮ ከዕልላ ከምዘይክእል ይርድኣኒ እኳ እንተነበረ፡ ነዛ ንዓይነይ ክርእያን ናፍቖተይ ክገልጸላን ዕድል ምርካበይ ተሓጒሰ ቀዳመ ሰናብቲ ክመጽኣለይ ክጽበ ጸኒሐ። እንተኾነ ዕለተ ቖጸራና ኣኺሉ ክብገስ እናሓሰብኩ፡ ቴሌፎን ተደዊሉ፡ ዮርዳ እያ ነይራ። \"ሳሚ ሓወይ ምስዚ ዘሎ ኹነታት ምርኻብ ንኹላትና ኣይጥዑምን እዩ እሞ ደሓን ብቴሌፎን ንራኸብ። ገጽ ንገጽ እንራኸበሉ መዓልቲ ክመጽእ እዩ። ሽዑ ኣስፊሕና ከነዕልል ኢና\" ኢላትኒ ብልዑል ሞራልን ተስፋን። ዋላ'ኳ ድምጻ ድኽም ኢሉ እንተነበረ፡ \"ኣይትሕመቑ ሳሚ፡ በርትዑ ኢኹም እዚ ናተይ ናይ ጥዕና ጸገም ግዝያዊ'ዩ ክስገር እዩ። ጽባሕ ክንተሓቛቖፍ ኢና። እዚ ግዝያዊ ሕማም ኮሮና ምስ ከደ ንራኸበሌ ግዜን መዓልትን ብዙሕ እዩ - ኣጆኹም!\" ኢላትኒ ብፍቕሪ። ድምጻ ይደኽመኒ ስለዝነበረ እናተሰከፍኩ ደሓን አዕርፊ ዮርዳ ክንራኸብ ኢና ኣጆኺ፡ ኣብ ካልኣይ እግረይ ብሰፊሑ ከነዕልል ኢና ኢለ ተፋንየያ። ንሳውን ንኹላቶም ብሓባር እንፈልጦም ብጾት ሰላም ክብለላ ብምልባው፡ ኩለን ኣብ ኣመሪካ ዝርከባ ብጾታ ካብ ዝተፈላለያ እስተይት እናመጽኣ ምስኣ ከምዝቕንያን ከምዘተባብዓኣን ደረት ብዘይብሉ ብጻያዊ ምስጋና ገሊጻትለይ። እቲ ብኣካል ረኺበ ክህባ ዝሓሰብኩ ካብ ኬንያ ተማሊአላ ዝመጻእኩ ንእሽቶ ህያብ (ፒጃማ)፡ እቲ ኩነታት ምስ ተረጋግአ ሓደ መዓልቲ ደዊሎም ከብጽሑላ ገዲፈሎም። ጽቡቓ ክሰምዕ እናተጸበኹ ከኣ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ሎሚ ዳዊት ፍሰሃየ (ወዲ መምህር) ዮርዳ ካብዝዓለም ምስንባታ ኣርዲኡኒ። ዮርዳ፡ ደጋጊማ \"ክሓዊ እየ'ሞ ዳግማይ ተራኺብና ከነዕልል ኢና\" ትብል ስለዝነበረት በቲ ጽኑዕ እምነታስ፡ ሓደ መዓልቲ ተራኺብና ነዕልል ግዲ ንኸውን ዝብል ተስፋ ነይሩኒ። ግን ኣብ መወዳእታስ እቲ ንዓሰርተ ዓመታት ዝተቓለሰቶ ሕማም ኣሸኒፉዋ፡ ካብዚ ዓለምሓሊፋ ኣላ። መስዋእታ ዝሰምዐ ሓው ከኣ \" ፍቱዋት ከዋኽብትና እምበር በብሓደ ይወድቁ ኣለዉ!\" ክብል ሓዘኑ ገሊጹለይ። ምስ ዳዊት ፍስሃየ ብዛዕባ ዮርዳ ዘዝስመዓና አዕሊልና፡ ምስቶም ሕልፈታ ዝተረድኡ ብቐረባ ዝፈልጡዋ ብጾት፡ በላይነሽ ኣርኣያ፡ ጋይም ክብረኣብ፡ ኣለም ሃብተጽየን፡ ምሕረት ሃይለ እውን፡ ዮርዳ ማዕረ ክንደይ ተፈታዊት ምንባራን ኣብዚ ዝሓመመ ሰብካ ክትበጽሕን ዝሞተ ክትቀብርን ዕድል ዘይህብ እዋን ኮሮና ምሕላፋ ብጓሂ ተዛሪብና። ኣብ ንቡር እዋን እንተዝኸውንሲ ቀብሪ ዮርዳስ ቀብሪ እታ ተፈታዊት ብጸይትስ እንታይ ኮን ምመሰለ ዝብል ሕቶ እውን ኣልዒልና። እምበኣር ዮርዳ፡ እታ ድምቕቲ ኮኾብ ከምቶም ኣብ ስደቶም ዝሓልፉ ዘለው ፍቱዋት ኤርትራውያን ትማሊ 09 መጋቢት 2020 ሓሊፋ ኣላ። ወላ እውን ኣብ ስደትን ኣብ ሕማቕ ናይ ኮሮና ኣጋጣምን ትሕለፍ ኩሉ'ቲ ንዮርዳ ዝፈልጥን ዘኽብርን ኣኣብ ቤቱን ሕልንኡን ብኽብርን ብሕቋፍ ዕምበባ ሕልናን ክዝክራን ከፋንዋን እዩ። ዮርዳ እታ ድምቕቲ ኮኾብ ምስቶም ድሙቓት ብጾታ ወትሩ ኣብ ሕልናን ሓንጎልን ብጾታን ፈተውታን ኣላ። ኩሎም ፈለጥታን ፈተውታን ከኣ መቃብርኪ ጽሩይ ማይ ይፈልፍል እዝግሄር ኣብ ገነቱ ይቀበልኪ ብምባል ይፋነውዋ ኣለው።","category":"መንሸሮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/52253043"} {"headline":"ኣብ መዓልቲ 3 ፍንጃል ቡን ዝሰቲ ሰብ ጥዕንኡ ዝተሓለወ እዩ","content":"ኣብ መዓልቲ ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ፍንጃል ቡን ምስታይ ጥዕናዊ ረብሓታት ክህልዎ ከምዝኽእል፡ መፅናዕቲ ብሪትሽ ሜዲካል ጆርናል (BMJ) ይገልፅ። ብውሱን መልክዑ ብሕማም ፀላም ከብዲ (liver disease)፣ ብካንሰርን ብስትሮክ ናይ ምሟት ኣጋጣምታት ክህልዉ ከምዝኽእሉ ተሰጊኡ ዝነበረ'ኳ እንተኾነ፡ ተመራመርቲ ግና እዞም ስግኣታት ብሰንኪ ቡን ምዃኑ ከረጋግፁ ኣይከኣሉን። ኣብ ግዜ ጥንሲ ብዙሕ ቡን ምስታይ ግና ጎዳኢ ከምዝኾነ እቲ መፅናዕቲ ኣፍሊጡ። ቅድሚ ሕዚ ቡን ዘይሰትዩ ሰባት ድማ ብጥዕናዊ ምኽንያታትን ሕማም ንምክልኻልን ክብሉ፡ ቡን ምስታይ ክጅምሩ ከምዘይግባእ ሰብ ሞያ ይገልፁ። ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ሳውዝ ሃምፕተን፡ ቡን ኣብ ሰብነት ወዲሰብ ክህልዎ ኣብ ዝኽእል ፅልዋ፡ ዝተፈላለዩ ፀብፃባት ብምእካብ፡ ልዕሊ 200 መፅናዕትታት ዝተዓዘቡ እንትኾኑ፡ መብዛሕትኦም ግና ትዕዝብታዊ መፅናዕቲ እዮም ነይሮም ይብሉ። ቡን ዝሰትዩ ሰባት ቡን ምስ ዘይሰትዩ ሰባት እንትነፃፀሩ፡ እቶም ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ፍንጃል ቡን ዝሰትዩ ሰባት፡ ንሕማም ልቢ ናይ ምቅላዕን በቲ ሕማም ናይ ሙሟትን ዕድሎም ዝነኣሰ እዩ። እቲ ቀንዲ ረብሓ ቡን ድማ፡ ንሕማም ፀላም ከብድን ሕማም መንሽሮ (ካንሰር) ክንኪ ወይ ድማ ከድሕን ዝኽእል ምዃኑ እዩ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳውዝ ሃምፕተን መተሓባበሪ እቲ መፅናዕቲ ፕሮፌሰር ፓውል ሮድሪክ ግና፡ እቲ ክለሳ ቡን ምስታይ ለውጢ ከምዘምፅአ ክረጋገፅ ኣይከኣለን ይብሉ። \"ምድፋእ ዕድመ፣ ምትካኽ ሽጋራን ኣካላዊ ምንቅስቀቓስ ዘይምስራሕን ፅልዋ ኣለዎም\" ክብሉ ገሊፆም። ሓፈሻዊ ውፅኢታት እቶም መፅናዕትታትን ካልኦት ናይ ቀረባ ግዜ መፅናዕትታትን፡ ቡን ምስታይ ዘተባብዑ እዮም። \"ኣብ ሂወት ሚዛናዊ ስግኣታት ኣለዉ፡ ቡን ብመጠኑ ምስታይ ግና ጥቕሙ እዩ ዘመዝን\" ብምባል ኣገዳስነት ቡን የረጋግፁ። ነብሰ-ፁር ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 200 ሚሊግራም ካፊን ክወስዳ ከምዘይብለን ድማ፡ ሃገራዊ ግልጋሎት ጥዕና ኢንግሊዝ (NHS ) የገንዝብ። ክልተ ኩባያ ቡን እኹል ከምዝኾነ ብምሕባር። ናይዚ ምኽንያት ከኣ፡ ኣብ ግዜ ጥንሲ ብዙሕ ቡን ምውሳድ ጠንቂ ምንፃል (ምቁራፅ) ጥንሲ ክኸውን ስለዝኽእል እዩ። እቲ ትንተና፡ ፀገም መስበርቲ ዓፅሚ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ እውን፡ ብፍፁም ቡን ክሰትያ ከምዘይብለን የጠንቅቕ። ኣባፅሕ ክሳብ 400 ሚሊግራም ወይ ድማ ትሕቲኡ፡ ወይ ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ፍንጃል ቡን ኣብ መዓልቲ ምውሳድ ንጥዕነኦም ፅቡቕ ምዃኑ ይገልፅ። \"ይኹን እምበር ቡን ብሕታዊ ምግቢ ወይ ድማ መስተ ከምዘይኾነ ምፍላጥ ግድን እዩ\" ይብል እቲ ተካል። እቶም ተመራመርቲ ንጥዕንኦም ቡን ዝሰትዩ ሰባት፡ ተወሰኽቲ ነገራት ከም ሽኮር፣ ፀባ፣ ክሬምን ስብሒ ዘለዎም ቁርስታትን ከወግዱ ከምዝግባእ ይገልፁ። ብሕክምና መድሓኒት ዝእዘዞም ሰባት ድማ ኣብ ኣጠቃቕማ ቡን ግቡእ ጥንቃቐ ንክወስዱ ይምዕዱ። ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ቡን ንጥዕና ሰባት ጠቓሚ ምዃኑ ምርዳእ 'ከቢድ' ከምዝኾነ እቶም ተመራመርቲ ይዛረቡ፡ ዘይምጡን ኣጠቓቕማ ቡን ኣብ ጥዕና ዘስዕቦ ፅልዋ ርግፀኝነት ከምዘይነበሩ ብምግላፅ። ይኹን እምበር፡ ቡን ብመጠኑ ምስታይ ብፍላይ ኣብ ኣባፅሕ፥ ምዕሩይ ኣመጋግባ ክኸውን ከምዝግባእ የስምሩ።","category":"መንሸሮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-42094255"} {"headline":"ዛንታ ናይ ሓንቲ ግዳይ ሕማም መንሽሮ ዝኾነት ኤርትራዊት ስድራቤት","content":"\"እሞ ኣብዚ ዝገበርናዮ መርመራ፡ ክንጽረልና እንደልዮ ነገር ስለዘሎ፡ ንሓደ ሰሙን ዝኸውን ኣብዚ ምሳና ክትድቅስ ኢኻ\" ምስ ተበሃልኩ ልበይ ምሽት ኢላ ሰንቢደ። ግን ከኣ ንዝመጽአ ነገር ካብ ምግጣም ካልእ ምርጫ ኣይነበረንን - ንጽሕፍቶይ ይገጥሞ ኣለኹ። ቅድሚ ሓያሎ ኣዋርሕ ስሩዕ ሕክምናዊ መርመራ ክገብር ናብ ሆስፒታል ከይደ፡ ዝተሓተትኩዎ ደምን፡ ሽንትን፡ ንላባራቶሪ ሂበ፡ ምስቶም ኣብ መጸበይ ክፍሊ ዝነበሩ ሰባት ውጺአተይ እጽበ ነበርኩ። ተርታይ በጺሑ ተጸዊዐ ናብ ሓኪመይ ምስ ኣተኹ፡ ብፍሕሹው ገጽን ቃልን \"ኣብ ደምካ ብዙሕ ዘይነጸረልና ነገራት ስለዘሎ ንሓደ ሳልስቲ ኣብዚ ሆስፒታል ክንሕዘካ ኢና\" ምስበለኒ፡ ከምዚ ንቕሎኻ በጺሑ'ዩ እሞ ምስ ነብስኻ ተሓሳሰብ ዝበሃል ዘለኹ ኮይኑ ተሰሚዑኒ፡ ደንዚዘ፡ ቀልጢፈ ኣይመለስኩን። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ስድራይ ዘጋጠመ ናይ ቀረባ ተዘክሮ ስለዝነበረኒ፡ እቲ ዝሓለፈ እናተራእየኒ፡ \"እንታይ ድኣ ረኺቦሙለይ ኮይኖም እዮም? እንታይ እየ ኮይነ\" ኢለ ተጨነቕኩ። ስምባደይ ዘስተብሃለ ሓኪመይ \"ኣጆኻ ብዙሕ ዘጨንቕ ኣይኮነን። ብዝያዳ ክንጽረልና ስለዝደለና ኢና። ጽባሕ ክምለስ እየ እንተይልካ እውን ትኽእል ኢኻ\" ክብል ኣፋኾሰለይ - ግን ኣይቀሰንኩን። ኣብዛ ሕክምና ዝገብረላ ዘለኹ ሆስፒታል፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት፡ በዓልቲ ቤተይ ንነዊሕ እዋን ብሕማም ካንሰር ክትሳቐ ድሕሪ ምጻናሕ ምኽኣል ስኢና ተሰኒፋ ብሞት ተፈልያትና እያ። ካብ ሽዑ ክሳብ ሕጂ ክንዲ ኣቦን ኣደን ኮይነ ንበይነይ'የ ደቀይ ዝኣሊ ዘለኹ። ግደ ሓቂ ንሳ እያ ካብ ቑልዕነቶም ኣትሒዛ ኩለንትናኦም እናተኸታተለት አዕብያቶም። ጉዳይ ናብራ ኮይኑ ብደገ እምበር ኣብ ቤትሲ ክንድቲ ኽገብሮ ዝግበኣኒ ኣይደገፍኩዋን። ብቐንዱ እውን ስግኣትን ስደትን ንነዊሕ እዋን ፈላልዩና'ዩ። ድሕሪ ክንደይ ገልጠምጠም፡ ድሕሪ ክንደይ ጻዕርን ፈተናን ኢና ቅድሚ ሒደት ዓመታት ተጠራኒፍና። ቖልዑ ዝገደፍኩዎም ደቀይ ብስነ-ምግባርን ሞራልን ሃኒጻ አዕቢያን ኣጎቢዛን ተጸምቢራትኒ። ኣብ መወዳእትኡ ኣብ ሃገረ ስደትና ብደቅና ማᎁቕና ክንነብር እናተጸበና ግን ዘይሓሰብናዮ ኣጋጢሙና። ሓደ እዋን፡ ከምዚ ናይ ሕጂ ናተይ ስሩዕ መርመራ ክንገብር ናብ ሕክምና ምስ ከድና \"ኣብዚ ከባቢ ጡብኪ ገለ ነገር ንርኢ ስለዘለና ፍሉይ መርመራ ክንገብር ኢና\" እዮም ኢሎማ ንበዓልቲ ቤተይ። ብዙሕ ግዜ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ካባቢ ጡብ ተራእዩ ዝበሃል ነገር ምስ ሕማም መንሽሮ ስለዝተኣሳሰር ሰንቢድና። ኣብ ሳልስቱ ኣቢሉ ከኣ እዝግሄርና ኣሚንና ውጽኢት መርመራና ክንሰምዕ ኣብ መዓልቲ ቖጸራና ተረኸብና። እንተኾነ ከኣ ካብ ዝፈራሕናዮ ኣይወጻእናን። እቲ ኣብ ከባቢ ጡብ ተራእዩ ዝበሉዎ ነገር፡ ካንሰር ምዃኑ ሓቢሮሙና። ክልቴና ርእስና ሒዝና ሰምቢድና። በዓልቲ ቤተይ \"እውይ ኣነ ደቀይ!\" ኢላ ተኾርምያ ነቢዓ። ኣነ እውን ቀዚዘ። እቶም ሓካይም፡ \"ኣጆኹም እኹል ሕክምና እኮ ኣሎና። እቲ መድሃኒት ብዝግባእ እንተወሲድክዮ ክትሓውዩ ኢኺ። ልዕሊ ኩሉ ሞራል እዩ ዘድሊ\" ኢሎም ኣተባቢዖሙና። ኣነ ከኣ ካብ ስምባደይ ተበራቢረ፡ ብዓቕመይ ኣጆኺ ፍትውተይ፡ ፈጣሪ እንከሎ ሰብ እንታይ ዓቕሚ ኣለዎ። ከም ቀደምና፡ ነቲ ካብ ኩሉ ጸገምን መከራን ኣውጺኡ ንዝኣኻኸበና ኩሉ ዝከኣሎ ፈጣሪና ንእመን - ኣጆኺ ቅንዒ!\" ክብል ኣጸናኒዐያ። ንሳ ግን ብኽያት ኣየቋረጸትን። ከም ሕሱም ነቢዓ። ንዝሃበካ ምቕባልን ምግጣምን እምበር ነቢዕካ ኣብ ዝእቶ ስለዘይነበረ ንዝመጽኣና ገጢምናዮ። በዓልቲ ቤተይ ብሌን፡ (ብሌን ተራኺ ዝመረጾ ስም እዩ) እናተመላለሰት ዝተኣዘዘላ መድሃኒት ኬሞ-ቴራፒ ክትወስድ ጀሚራ። ኬሞ ተራፒ ዝበሃል ዓይነት ሕክምና ነቶም ጥዑያትን ሕሙማትን ዋህዮታት ሰብነትና አሕቢሩ ዘዕኑ ብርቱዕ መድሃኒት ምዃኑ ገለ ቑሩብ ኣንቢበ ኣዋህሊለ እየ። ግን ስግኣተይ ኣብ ውሽጠይ ገይረ ንበዓልቲ ቤተይ ኣብ ምጽንናዕ ኣትየ። ብዓቕመይ ኩሉ እየ ዝገብር፡ እቲ ብዙሓት ሰብኡት ሓበሻ ዘይንገብሮ ስራሕ ክሽነ ኣነ ከም መዘናግዒ እየ ዝወስዶ። መግቢ ደቅናን ስድራን ከዳሉ እኸእል እየ። በዚ ኸኣ ብሞራልን ተግባርን ኪድግፋ ፈቲነ። መድሃኒት ካብ እትጅምር ክሳብ ተዳኺማ ትፍለየና ሓሙሽተ ዓመት ብቓልስን ተስፋን ጸኒሕና። ንሓንሳብ ፍኹስ ይብላ እሞ፡ ሕጅስ ሓውያ ሒሹዋ እዩ እናበልና፡ እንደገና ኣብ ገለ ክፋል ኣካላታ፡ በዚኣ እውን ንእሽተይ ምልክት ተራእያ ኣላ ይብሉና'ሞ ኩርምይ ንብል - ዘሕለፍናዮ ጸገምን ሽግርን ንጸላኢኻ እውን ኣይትምነየሉን ኢኻ። ኮይኑ ከኣ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኮነ ተባሂልና። መቸም፡ እትፈትዎን ተፍቅሮን፡ ጸግዐይን ጽላለይን እትብሎ፡ እትኣምኖ ዓንዲ ካብ ጎድንኻ ክፍለየካ እንከሎ ከቢድ እዩ። ዝፈተኖ ጥራሕ እዩ ዝፈልጦ። ብሌን ከኣ በዓልቲ ቤተይን ኣደ ደቀይን ጥራሕ ኣይነበረትን። ብሌን ማለት ዓንዲ እያ። ክንዲ ሓው ክንዲ ሓፍቲ፡ ክንዲ መሓዛን ዓርክን፡ ክንዲ ኣቦን ኣደን፡ መማኽርቲ መዛትይቲ፡ ፈቃር ሕያወይቲ፡ ጻዕራም ሰራሕተኛ፡ ዋላ እውን እቲ ከቢድ ሕማም ሒዙዋ እንከሎ ዘይትንብርከኽ፡ ዘይትደንን ጽንዕትን ጸዋርን ሰብ እያ። ንሓደ ስድራ ከምዚ ዓይነት ሰብ ክፍለዮ እንከሎ ምድረ ሰማይ እዩ ዝጽልምቶ። ንዓና እውን ብርሃን ብሌን ስለዝጎደለና ጸልሚቱና ግን ከኣ ብሓይሊ ፈጣርን ደገፍ አሕዋትን ፈተውትን ነቲ ዘይተርፍ ህይወት ዓለም ንቕጽሎ ኣሎና ንብሌን ካብ እንፋነዋ ኣብ ሳልሳይ ዓመትና እዩ ዝኸውን ዘሎ፡ ፕሮስተይት ካንሰር ከምዘሎኒ ዝንገር ዘለኹ። ሓካይመይ እቲ ምልክት ከይዓበየን፡ ናብ ካልእ ኣካላት ከይተዘርአን እንከሎ ከነርክብ ኣሎና ኢሎም ነቲ ዝእለ ብመጥባሕቲ ኣልዮሙለይ። ክሳብ ሕጂ ከኣ ኬሞ ቴራፒ እናወሰድኩ፡ እንተኾነ እሓውን እድሕንን ካብኡ ተረፈ ከኣ መዓስ እምበር ሰብ ሞቱ ስለዘይተርፎ ነዞም ደቀይ ኣሰጉም ከብሎም ዕድመ ክህበኒ እናተተስፈኹ እነብር ኣለኹ። ሰንቢድካ፡ ተኾርሚኻ፡ ፈሪሕካ፡ ተሸቁሪርካ ዝግበር ነገር የለን። ንኹሉ ከከም ዝመጽኦ ምግጣሙ እዩ። ኣብ ሆስፒታል ምስ ደቀስኩ ካባይ ንላዕሊ ንደቀይ እዩ ከፊኡዎም። \"ደሓን ዲኻ፡ ደሓን ድዩ ኣቦይ፡ እንታይ እዩ ኮይኑ?\" ክብሉ ኩሎም ተጨኒቖም። ኣብዚ ዘለውዎ ዕድመ ኸኣ ብዝኾነ ነገር ከተዕሽዎም ኣይእትኽእል ኢኻ። ደሮ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝበጽሑ ኣንቢቦም ዝመራመሩ፡ ሓቲቶም ክፈልጡ ዝጽዕሩ፡ ትኩራትን በላሕትን እዮም። ስለዝኾነ ኣቕልል ኣቢለ እየ ነጊረዮም። እንተኾነ በዲኦም ስለዝተዳህሉ ሰምቢዶም፡ \"ሕጂ ኸኣ፡ እዚ ኣምላኽሲ እንታይ ኢና ገይርናዮ\" ኢሎም ተጸሊሎም፡ በኽዮም። ምኽንያቱ ገና ምስሊ ኣዲኦም ካብ ዓይኖም ኣይተፈልየን። ኩሉ ግዜ እዮም ዝዝክርዋ፡ ኩሉ ግዜ ነልዕላ ምኽንያቱ ኣብ ቤትናን ልብናን ስእላን ምስላን ኣሎ። ብሌን ምቕልልትን ሕያወይትን ስለዝነበረት ኣብ ልቢ ኩሎም ፈተውታን ኣድነቕታን ኣላ። ደጊም ኬሞ ተራፒ ወዲአስ ሓካይመይ \"ዕድለኛ ኢኻ ኣብ ኩሉ ክፍልታት ኣካላትካ ምልክት ናይዚ ሕማም የሎን። ተስፋ ንገብር መወዳእታና ክኸውን\" ኢሎም ንጽንዓተይን ኣዎንታዊ ኣተሓሳስበይን ኣመስጊኖም ኣፋንዮሙኒ ኣለው። ኣብዛ ዓለማዊት መዓልቲ እዚ ሕማም ከኣ ንኹሎም እቶም እናደወሉን ብኣካል መጺኦም ዘተባብዑንን ዘጸናንዑንን፡ መሓዙተይ፡ እዕሩኽተይ፡ ኣሕዋተይ፡ ብጾተይ፡ ኩሎም ዝቀርቡኒ ዘበሉ ዝህቡኒ ተስፋን ምጽንናዕን ስንቂ ስለዝኾነኒ - የቐንየለይ እብሎም። እዛ መዓልቲ እናኽትመጽእ፡ ነብሲ ወከፍ ሰብ በዛ ሕማም ዝተተንከፈ፡ ዝተጠቕዐ፡ ኣቡኡ- ኣዲኡ፡ ሓዉ - ሓፍቱ፡ ውላዱ - ብጻዩ፡ ዝሓመሞ፡ ወይ ብሞት ዝተፈልዮ ዘበለ ብስቓይ ዝዝክራ ዕለት እያ። ምናልባት እውን ብዙሓት ከምዚ ከማይ፡ ካብዛ ሕማም እዚኣ ተናጊፎም፡ ንፈተናኣ በዲሆም ስዒሮም፡ ጠጠው ዝበሉ ሰባት ከኣ ኣፍልጦ እቲ ሕማምን ተመኩሮኦምን ክነግሩ ይዝክሩዋ እዮም። ኣነ ከኣ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ዕድል ገይረ ካብቲ ሕማም ጸርየን ጸፊፈን ብምውጽአይ፡ ልዕሊ ኹሉ ንልዑል ፈጣሪ ኣብ ትሕቲኡ ከኣ ንሓካይመይን ንኹሎም እቶም ኣብ ጸገመይ ተስፋ ዝሃቡኒ፡ ዘጸናንዑኒ ፈተውተይ ኣመስገንኩ፡ ጽሕፍቶን ዕድልን ንዘጽንሓ ህይወተይ ደቃ ከተዕብን ኣብ ዝብጻሕ ከተብጽሕ ዕድል ስለዝረኸበት ደጊም ንፈጣሪ አመስግን - ሓውኹም እየ።","category":"መንሸሮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51371328"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ናይ ማህጸን መንሽሮ ኣስታት 5 ሽሕ ከምዝሞታ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኣብ ጫፍ ማህጸን ዝፍጠር ሕማም ካንሰር ዓመታዊ ልዕሊ 5 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝሞታ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጥዕና ኣደታትን ህጻናትን ከምኡ’ውን ስርዓተ ምግቢን ዶ\/ር መሰረት ዘለኣለም ገሊጻ። ብናይ ማህጸን ጫፍ ካንሰር ዝተሓዛ ደቂ ኣንስትዮ እኹል ሓበሬታ እኳ እንተዘየሎ ዓመታዊ ኣስታት 7 ሽሕ ከምዝልከፋ ተፈሊጡ’ሎ። ነቲ ብሰንኪ ቫይረስ 'ሂውማን ፓፒሎማ' ዝኽሰት ናይ ማህጸን ካንሰር ንምክልኻል ካብ 17 ክሳዕ 23 ጥሪ ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ መላእ እታ ሃገር ወፍሪ ክታበት ይካየድ ኣሎ። ኣብቲ ንሳልሳይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ክታበት 14 ዝዕድሚኤን ደቂ ኣንስትዮ ይኽተባ ከምዘለዋ ዶ\/ር መሰረት ሓቢራ። ካብ ናይ ጡብ ካንሰር ቀጺሉ ሓደገኛ ከምዝኾነ ዝዝረበሉ ናይ ማህጸን ካንሰር ብክታበት ምክልኻል ከምዝከኣል ሰብ ሞያ ጥዕና ይገልጹ። “ጾታዊ ርክብ ቅድሚ ምጅማረን ክኽተባ ስለዘለወን 14 ዓመት ንዝገበራ ኢና እንኸትብ ዘለና” ዝበለት ዶ\/ር መሰረት መከላኸሊ ክታበት ይወሃብ ከምዘሎ ሓቢራ። እቲ ዝወሃብ ክታበት ክልተ ንጣብ ኮይኑ እቲ ፋልማይ ምስተወሃበ ድሕሪ 6 ወርሒ ድማ እቲ ካልአይ ንጣብ ከምዝወሃብ ይግለጽ። ከም ሓበሬታ ዶ\/ር መሰረት “ደቂ ኣንስትዮ እዘን ክልተ ንጣብ ምስተኸተባ ብድሕሪኡ ካልእ ተመሳሳሊ ክታበት ኣይደልየንን። እንተኾነ ግን ኤችኣይቪ ኤዲስ ኣብ ደመን ንዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ዳግማይ ክወሃብ ይኽእል’ዩ”። ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ምስ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብምትሕብባር 14 ዓመት ንዝገበራ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝተኸተባ’ውን እታ ሓላፊት ኣዘኻኺራ። “ኣብ ዓመት ን1.2 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ ክንከትብ ኢና ኢልና እንሓስብ” ዝበለት ዶ\/ር መሰረት ሎምዘበን’ውን ኣብ ኣብያተ ትምህርትን መደብራት ጥዕናን ጎስጓስ ከምዝተኻየደ ንቢቢሲ ገሊጻ። ዝሓለፈ ዓመት እቲ ናይ መጀመርታ ክታበት ከምዝተውሃበን እንተኾነ ግን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካልአይ ክታበት ስለዘይተውሃበ ሎምዘበን ምስተን ሓደሽቲ ዝኽተባ ብሓንሳብ ከምዝኽተባ ተፈሊጡ’ሎ። ሎምዘበን ቀዳማይ ክታበት ዝወስዳ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ካልአይ ክታበት ኣብ ዝመጽእ ወርሂ ሓምለ ወይ ድማ ጥቅምቲ ከምዝኽተባ ተገሊጹ። እቲ ክታበት ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዘሎ ኩነታት ከምዘይወሃብ ዝሓበረት ዶ\/ር መሰረት፡ እቲ ክታበት ምብጻሕ ኣብዘይተኻኣለሎም ከባቢታት ብኸመይን መዓዝን ከምዝውሃብ ዝመርሕ ትልሚ ክሕጸጽ ምዃኑ ገሊጻ። እተን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ብሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣቢልካ፡ እተን መኣዲ ትምህርቲ ዘየለዋ ድማ ብመደብራት ጥዕናን ገዛ ንገዛ እናዘርካን ክወሃብ እዩ ኢላ። ደቂ ኣንስትዮ ናይ ማህጸን ጫፍ ካንሰር መከላኸሊ ክታበት ንኽወስዳ ብመራኸብቲ ሓፋሻት ጎስጓስ ከምዝግበር ዝገለጸት ዶ\/ር መሰረት ቀዳማይ ክታበት ዝወሰዳ ድማ ካልኣይ ንኽኽተባ ወፍሪ ከምዝግበር ሓቢራ።","category":"መንሸሮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55851876"} {"headline":"ኣስፕሪን፡ መንሽሮ-ጡብ ንምፍዋስ ክሕግዝ ይኽእል'ዶ?","content":"ኣስፕሪን፡ መንሽሮ (ካንሰር) ጡብ ንምፍዋስ ካብ ዝሕግዙ ጸረ መንሽሮ መድሃኒታት ብዝበለጸ ግብረ-መልሲ ክህብ ከም ዝኽእል ሓካይም ገሊጾም። ኣብ ከተማ ማንቸስተር ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከብ ክሪስቲ ፋውንደሽን ዝተባህለ ትካል ጥዕና እትነጥፍ ጋንታ፡ ኣብ ሰለስተ ሕሙማት መንሽሮ-ጡብ ዘለወን ሰባት መርመራ ጀሚራ ኣላ። ኣስፕሪን ከም መድሃኒት ነድሪ እምበር ንኣፋውስ ሕማም መንሽሮ ንምብርባር ከምዝሕግዝ ኣይፍለጥን እዩ ጸኒሑ። ይኹን እምበር ኣብ እንስሳታት ዝተገብረ መጽናዕትታት ዘተባብዕ ውጽኢት ከምዘርኣየ ሓበሬታ ኣሎ። ኣብ ናእሽቱ ደቀንስትዮ'ኸ? ኣስፕሪን ንገለ ዓይነት ሕማማት መንሽሮ ከምዝከላኸልን ንኸይዝርጋሕ ከምዝዓግትን ሓደ ሓደ ጭብጥታት ኣሎ። ይኹን እምበር እቲ ክሳብ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ሓበሬታ ክሳብ ብተወሳኺ ምርምራት ዝድራዕ ሰባት ንኣስፕሪን ከም መድሃኒት ክወስዱዎ ከምዘይብሎም ይምከር። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዓመታዊ ኣስታት 8,000 ደቂ ኣንስትዮ፡ ምልክታት መንሽሮ-ጡብ ይርከበን። እዚ ከኣ መብዛሕቱ ንነኣሽቱን: ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮን ብዝያዳ ዘጥቅዕ ቁጡዕን ሓደገኛን ዓይነት መንሽሮ እዩ። ኣብዚ ንመንሽሮ-ጡብ ንምፍዋስ ብትካል ግብረ ሰናይ ብረስት ዝግበር ዘሎ ፈተነታት: ንገለ ሕሙማት ኣብ ልዕሊ እቲ ቅድመ መጥባሕቲ ዝወሃብ ኬሞቴራፒ: ኣስፕሪን ከም መፈተኒ ይወሃብ እዩ። እዚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ኤቨሎተራፒ ዝበሃል መድሃኒት መንሽሮ: ንፈተነ ዝወሃብ ዘሎ ኣስፕሪን ኣብ ገለ ሕሙማት ነቲ ሕማም ካብ ምዝርጋሕ ስለዝዓግቶ ናይ ብሓቂ ዘተስፉ ውጽኢት የርኢ ኣሎ። ዕዉት እንተ ኰይኑ፡ ካልኣይ ደረጃ ሰለስተ ኣሉታዊ መንሽሮ ጡብ ንምርካብ፡ ተወሳኺ ሕክምናዊ ፈተናታት ኣስፕሪንን ኤቭሉማብን ክህሉ ይኽእል እዩ፣ ኣብ ጡብ ዝጀመረ ዋህዮታት መንሽሮ ናብ ካልእ ክፍሊ ኣካላት ምስ ዝላባዕ ። ኣብ 2019፡ ጓል 44 ዓመት ነባሪት ሃምፕሻየር ቢትራያል፡ ሕማም መንሽሮ-ጡብ ከም ዘለዋ ተፈልጠት ። ''መንሽሮ ንነዊሕ እዋን ዘማስን ሕማም ስለዝኾነ ቀሊል መንሽሮ ዝበሃል የሎን። ሕክምና መንሽሮ፡ ከም ምርጋፍ ጸጕሪ፡ ዕግርግር ምባል፡ ቃንዛ መላግቦን ጭዋዳን፡ ውጽኣት፡ ከምኡ\" ውን፡ ኣእዳውን ኣእጋርን ዘቃጽል፡ ውጽኣት፡ ምቅጻል ከብዲ ኢድ፡ ለይቲ ረሃጽን ድኻምን፡ መርዘን፡ ቅድሚ ሽዑ ርእየዮ ዘይፈልጥ ድኻም ኣጋጢሙኒ። \"እቲ ዝወሃበኒ ዝነበረ መድሃኒት ክሰርሓለይ ብምጅማሩ ዕድለኛ እየ። ግን ከኣ እቲ ናይ 18 ወርሒ ሕክምና ንዓይን ንስድራ ቤተይን ኣዝዩ ከቢዱና። \"ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝኸውን ከኣ ሕክምናን ክንክን ተዋሂቡና\" ትብል። ሓድሽ ኣገባብ ነቲ ናይ ፈተነ መጽናዕቲ እትመርሕ ዘላ ዶር ኣን ኣርምስትሮንግ፡ \"ኵሉ እቲ ንመንሽሮ ጡብ ዝወሃብ መድሃኒት ብግቡእ ኣይሰርሕን እዩ። ይኹን እምበር ከም ኣስፕሪን ዝኣመሰለ ኣብ ኩሉን ብቐሊሉን ዝርከብ ሕሱር መድሃኒት ናይ ብሓቂ ተስፋ ዝህብ እዩ። \"\"እዚ ኣስፕሪን ምስ ካልእ ናይ መንሽሮመድሃኒት ተወሃሂዱ ዝግበር ዘሎ ናይ ምርምር ፈተነ ዘተስፉ ውጽኢት ክርከቦ ተስፋ ንገብር\" ትብል። ተሓጋጋዚት ኮማንደር ዶክተር ረቤካ -ሊ ኣስፕሪን ንምክልኻል ሕማም መንሽሮ ዝወሃብ መድሃኒት ስለዘበራብርን ንዝርገሐ ዋህዮታት መንሽሮ ስለዝገትእን ነቲ ሕማቕ ነድሪ ከዳኽሞ ስለ ዝኽእል፡ ናይ ብሓቂ ዓቢይ ተስፋ እዩ ክትብል ተስፍኣ ትገልጽ።","category":"መንሸሮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/58278035"} {"headline":"መንሽሮ እንታይ እዩ? ክትከላኸሎ'ኸ ይከኣል'ዶ?","content":"ኣብ ትግራይ ኣብ ተንብየን ዓብዪ ዓዲ ዝነብሩ ወለዲ ቈልዓ ይወልዱ። ኣብታ ቈልዓ ዝተወለደላ መዓልቲ ኣብ ኣፍሪቃ ሓደ ዓብዪ እማመ ይፍፀም። ውድብ ሓድነት ኣፍሪካ ብዕሊ ተመስሪቱ። እዞም ወለዲ ኣብ ከተማ ዓብዪ ዓዲ እሞ ድማ ዓብዪ ዋኒን ኣብ ዝተፈፀመላ መዓልቲ ዝተወለደ ወድና ኣብዪ ንበሎ እንትብሉ ሰየምዎ። ወላዲኡ ብምኽንያት ስራሕ ናብ መቐለ ስለዝተዛወሩ ኣብዪ ካብ ወዲ ክልተ ዓመት ንደሓር ኣብ መቐለ ዓብዩ። ቀዳማይ ብርኪ ትምህርቱ ኣብ ሃፀይ ዮሃንስ፤ ሻውዓይ ክፍሊ ኣብ ከሳቴ ብርሃንን መሰረተን፤ ታሽዓይ ክፍሊ ድማ ኣብ ሃፀይ ዮንሃስ ምስ ተመሃረ ናብ ኣሕዋቱ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ። ካብ ዓስራይ ክሳብ ዓሰርተ ክፍሊ 'ማትሪክ' ዝፍተን ኣብ ጀነራል ዊንጌት ተማሂሩ። ትምህርቱ ንፉዕ ኰይኑ ብፅቡቕ ውፅኢት ሓሊፉ። ኣፈወርቂ ምስ ዝበሃል መሓዝኡ ቀዳሞት ኰይኖም ብምውፃእ ናብ ሃገረ ግሪክ ከይዶም ንኽመሃሩ ነፃ ዕድል ትምህርቲ ረኸቡ። ኰይኑ ግና ኣብቲ ግዜ'ቲ ኣብ ግሪክ ብዝተፈጠረ ምቅይያር መንግስቲ፡ እቲ ዕድል ትምህርቲ ተዓንፂሉ። ክንብል በለ እምበር ኣይፈሰሰን፤ ኣብታ ዝቐፀለት ዓመት ነፃ ዕድል ትምህርቲ ረኺቡ ናብ ቺኮዝላቫክያ ይብገስ። ኣብ ቺኮዝላቫክያ ቋንቋ ቸክ ንሓደ ዓመት ተማሂሩ፤ ኣብ ከተማ ፕራግ ዩኒቨርሲቲ ቻርለስ፡ ሽድሽተ ዓመታት ቀዳማይ ዲግሪ ትምህርቲ ሕክምና ኣፅኒዑ። ትምህርቲ ሕክምና ዛዚሙ፤ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከተማ ለንደን ድማ ኣምረሐ። \"ቺኮዝላቫክያ ካልኣይ ዓደይ እዩ፤ ቋንቋ ብደንቢ እዮም ኣምሂሮምኒ፤ ሕክምና ዝተመሃርኩሉ ዩኒቨርሲቲ ቻርለስ ብ13 ክፍለዘበን (ቅድሚ ምፍጣር ኣመሪካ) ዝተመስረተ ፍሉጥ ዩኒቨርሲቲ እዩ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብቲ ክፍሊ ሕክምና 10 ሓበሻ ነይርና፤ ኣብ መወዳእታ ሓሙሽተ ጥራይ ተመሪቕና\" ብምባል ኣብታ ሃገር ዝነበሮ ግዜ ይዝክር። ዶ\/ር ኣብዪ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ሕክምና ወፃኢ ሰለስተ ዓመታት ምስ ሰረሐ፡ ናብ ኣመሪካ ድማ ኸደ። ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ 'ሜዮ' ዝበሃል ስሙይ ውልቀ ክልኒክ ኣብ ስራሕቲ ምርምር ተዋፊሩ ሰሪሑ። ኣብ ኣመሪካ ሓኪም ኰይንካ ንኽትሰርሕ፡ 'ቅድሚ ሎሚ ኣብ ካልእ ሃገር ዝተመሃርኩ ሓኪም እየ' ብምባል ጥራይ ስራሕ ኣይጅመርን። ኣብ ኣመሪካ ኰነ ኣብ ካልእ ሃገር ብትምህርቲ ሕክምና ዝሰልጠነ ክኢላ፡ ፈተና ተወሂብዎ እንተሓሊፉ ጥራይ እዩ ክመሃርን ክሰርሕን ዝኽእል። ብመሰረት'ዚ ዶ\/ር ኣብዪ ኣብ ፍላደልፍያን ፍሎሪዳን ንተወሳኺ ኣርባዕተ ዓመታት 'ፓቶሎጂ' ኣፅኒዑ። ብድሕሪኡ እውን ኣብ ትምህርትን ምርምርን ክወፍር ስለዝሃቀነ ተወሳኺ ክልተ ዓመታት ድማ ኣብ ፍሎሪዳ ተማሂሩ። ስራሕ 'ሀ' ኢሉ ቅድሚ 17 ዓመታት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቨርማንት ጀሚሩ። ቨርማንት ሓደ ካብቶም ኣብ ኣመሪካ ዘለዉ ስሙያት ዩኒቨርሲትን ሕክምናን እዩ። ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ክኣትው እንተሎ፡ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር እዩ ነይሩ። ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ምስኣተወ ኣብ ሰፊሕ ስራሕቲ ምርምርን መፅናዕትን ወፊሩ፡ ብዙሕ ኣፍርዩ። ኣብ መስርሕ ምስትምሃር እውን ልዑል ኣበርክቶ ኣመዝጊቡ። ድሕሪ ሸውዓተ ዓመታት ካብ ተሓጋጋዚ ናብ 'ኣሶሽየት ፕሮፌሰርነት' ደረጃ በፂሑ። ብድሕሪኡ ንሽድሽተ ዓመታት ብዘርአዮ ህርኩት ስራሕን ምዕቡል ውፅኢትን፤ ከምኡ እውን ኣብ ስራሕቲ ምርምር፣ መፅናዕትን ኣብ ምምሃርን ብዘመዝገቦ ንኡድ ውፅኢትን ተገምጊሙ ናብ ምሉእ ፕሮፌሰርነት ሰጊሩ። እቲ ገምጋም ሓደ ዓመት ምሉእ ብዝተፈላለዩ ሊቃውንቲ ዝካየድ እዩ። ገምጋም ተምሃሮ እውን ዝለዓለ ቦታ ይሕዝ። ኮታስ ካብ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰርነት ክሳብ ምሉእ ፕሮፌሰር ንምብፃሕ 15 ዓመታት ጉዕዞ ሓሊፉ። ፓቶሎጂ ማለት ካብ ኣካል ሰብ ቈንጢርካ ብምውሳድ፡ እቲ ሕማም ንምንጻር ዝግበር ናይ ላቦራቶሪ መርመራ እዩ። ብድሕሪኡ እቲ ሕማም መንሽሮ ተባሂሉ ምስ ተረጋገፀ፡ እንታይ ዓይነት መንሽሮ ተባሂሉ ድማ ይንፀር። ፕሮፌሰር ኣብዪ ብመሰረት እቲ ብቐዳምነት ዝተመሃሮ፡ ሕማም ኩሉ ኣካል መንሽሮ ኣብ ዝንፀረሉ ስራሕቲ ምርምር ተወፊሩ ሰሪሑ። ድሕሪ ዝተወሰኑ ዓመታት ግና ፕሮፌሰር ኣብዪ ናብቲ ዝለዓለ ድልየት ዝሓደሮ፤ ኣብ ምንፃር መንሽሮ ጡብን ኣፍደገ ማህፀንን ኣድሂቡ ናብ ምፅናዕን ምምርማርን ኣተወ። \"ኣብ ባዕሉ ኣብቲ መንሽሮ ጡብ፤ እንታይ ዓይነት መንሽሮ ጡብ? ሓደ ዓይነት ኣይኰነን፤ ብዙሕ ዓይነታት ኣለዎ። ብቀልጡፉ ድዩ ተገንዩ ወይስ ፀኒሑ እዩ? ብቕልጡፍ ኣቀዲሙ እንድሕር ተነፂሩ፡ ሰፊሕ ናይ ምሕዋይ ዕድል ኣለዎ፤ እቲ ዝሓመመ ሰብ ደንጕዩ እንድሕር መፂኡ ግና ንምድሓኑ ይኸብድ። ኣብዚ ኣድሂበ ምርመራ ብምክያድ፡ ብኸመይ እንተዝሕከም ከምዝሓይሽ ነቲ ሓኪም መረዳእታ የቕርበሉ\" ብምባል ቀንዲ ዋኒን ሞያዊ ሓላፍነቱ ይገልፅ። ንምዃኑ መንሽሮ (ካንሰር) እንታይ እዩ? ወላ እኳ ዓሚቝ ሞያዊ ትንታነ ዝሓትት ዓውዲ እንተዀነ፡ ፕሮፌሰር ኣብዪ ቅልል ብዝበለ መንገዲ ብኸምዚ የብርሆ። \"ናይ ሰብ ኣካል ብጣዕሚ ዝተሓላለኸ እዩ፤ ኰይኑ ግና ኣካላትና ተመጢኑ ዝተፈጠረ እዩ። ንኣብነት ኢድና ክሳብ ክንደይ ክነውሕ ከምዘለዎ ንዓና ብዝምችው ተመጢኑ እዩ ተፈጢሩ። ኩሉ ክፋል ነብስና ሓደ ነቲ ካልእ ብዘየዐንቅፍ ተመጢኑ እዩ። ኣብ ውሽጢ ነብስና ዘለዉ ዋህዮታት ክኣርጉ እንተለዉ ይሞቱ፤ ብሓድሽ ይትክኡ። ብዓቐን እዮም ዝትክኡ፤ ሓደ እንተሞይቱ ሓደ ይትክኦ። እዚ ንቡር ስርዓት ኣካል ሰብ እዩ። ገሊኦም ዋህዮታት ይቕየሩ እሞ ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ይዓብዩ። ውሽጣዊ ትሕዝቶኦም ይቕየር። ኣብ ውሽጦም ዝነበረ ጥዑይ ባህሪ ናብ ፋሉሉነት ይልወጥ። ብድሕሪኡ እቲ ዝተቐየረ ባህሪ ከም ድላዩ ናብ ድላዩ ይዓብይ፤ ክትቈፃፀሮ እውን ኣይትኽእልን። ክዓብይ እንተሎ ድማ ነቶም ጥዑያት ኣጥፊኡ እዩ ዝዓብይ። እዚ መንሽሮ ወይ ድማ ካንሰር ይብሃል\" ብምባል ሞያዊ ትንታነ ይህብ። ሕማም መንሽሮ (ካንሰር) ብኸመይ ይብገስ? መንሽሮ ብዋናነት ሰብ ዕድሚኡ እንትውስኽ እሞ ድማ ኣካላቱ እንትዳኸም እንከሎ ይለዓል። ብኬሚካል እውን ክለዓል ይኽእል። ንኣብነት፥ ብመሰረት ኣብ ኣመሪካ ዝተገብረ መፅናዕቲ፡ መንሽሮ ሳምቡእ 90 ሚኢታዊት ብሽጋራ እዩ ዝመፅእ። ሽጋራ ዘየትክኽ ሰብ ብሕማም መንሽሮ ሳንቡእ፡ ናይ ምልካፍ ዕድሉ ብጣዕሚ ዝተሓተ እዩ። እቲ ዝተረፈ 10 ምኢታዊት ብዘርኢ፣ ከምኡ እውን ዘይስሩዕ ሽጋራ ብምትካኽን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ዝልከፍ እዩ። ከም ኢትዮጵያ ኣብ ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ቀደም ብዙሕ ዘይፍለጥ ዝነበረ ሕማም መንሽሮ፡ ሎሚ ብበዝሒ ዝረአየሉ ዘሎ ምኽንያት ፕሮፌሰር ኣብዪ ኣምባየ ይገልፅ። \"ቅድሚ 30 ዓመታት ዝነበረ ማእኸላይ ዕድመ ምንባር ሰብ 45 እዩ ነይሩ። ሎሚ ልዕሊ 60 ኮይኑ'ሎ። ብሓደ ገፁ እዚ ፅቡቕ እዩ። ኰይኑ ግና ብተፈጥርኡ ብዕድመ ዝዓበዩ ሰባት ንመንሽሮ ዝተቓልዑ እዮም። ካልኣይ ኣነባብራ ምዕራባውያን ንለምዶ ኣለና። ኣመጋግባና ተቐይሩ፤ ተዓሺጉ ዝፀነሐ ምግቢ ምብላዕ ተለሚዱ፣ ቀደም ብእግርና ነዊሕ ንጓዓዝ ዝነበርና፡ ሎሚ ኣይንኸድን። ዋላ እኳ ተወሳኺ መፅናዕቲ ዘድልዮ እንተዀነ፡ እዚኣቶም ግና ፍሉጣት ጠንቂታት እዮም\" ይብል። ኣብ ኣመሪካ ብፍላይ ልዕሊ 45 ዓመት ዕድመ ዘለወን ኣደታት ብመንሽሮ ጡብ ከይህሰያ፡ ዓመታዊ ብግድን ምርመራ ከካይዳ ኣለወን። ኣብዚ ዝሓመማን ዘይሓመማን ተባሂሉ ኣይፍለይን፤ኩለን ክምርመራ ይግባእ። ብፍላይ ኣደታት ብመንሽሮ ጡብን ኣፍደገ ማህፀንን ከይልከፋ፡ ዓመታዊ ይምርመራ። ኣብቲ ምርመራ ኣብ ሓንቲ ኣደ፡ ምልክት እንተተራእዩ፡ ካብታ ደቃቕ ፅኪ ቆንጢሮም ንምርመራ ይልኣኽ። ንኣብነት፥ ኣብ ቨርሞንት ናብ ፕሮፌሰር ኣብዪ ይልኣኽ እሞ፡ መንሽሮ ምዃኑ ብምርመራ እንድሕር ኣረጋጊፅዎ፡ እታ ዝሓበጠት ብመጥባሕቲ ክትወፅእ ትግበር፤ ብኸምዚ ድማ እታ ኣደ ካብ መንሽሮ ናይ ምድሓን ዕድላ ዝለዓለ ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ። \"ኣብ ኣመሪካ ዓመታዊ ኩሉ ሰብ ገንዘብ ይሃልዎ ኣይሃልዎ ብግድን ክምርመር ኣለዎ፤ 'ስክሪኒንግ' ክበሃል እንተሎ ዳርጋ እቲ ሕማም ኣሎ ዶ የለን ምእላሽ ማለት እዩ። ሃብታም ከይዱ ድኻ ዝተርፈሉ ኣይኰነን። ዋግኡ እውን ትሑት እዩ። ኢንሹራንስ (መድሕን) እዩ ዝኸፍሎ። ኣብ ሓደ ሓደ ክልላት ድማ ብነፃ እዩ ዝወሃብ። ብሳላ እዚ ጥቡቕ ምርመራን ክትትልን ድማ ሞት ይንኪ\" ብምባል ይገልፅ። ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ገና ዘይዓበያ ሃገራት፡ ንኹሉ ሰብ ዓመታዊ ምርመራን ክትትልን ንምግባር ኣዝዩ ስለዘፀግም፡ ሰባት ሓሚሞም ብድሕሪኡ ናብ ማይጸሎት ተመላሊሶም እንድሕር ዘይተመሲሉሎም ናብ ሕክምና ይመፅኡ። ኣብ ሕክምና ብጋንኡ ብመሳርሒ ሃሰስ ኢልካ ርኢኻ ክሕከም ዝነበሮ፡ ብኢድካ ዝጭበጥ ሕበጥ ይኸውን እሞ ንምሕካሙ የፀግም። \"ግዜ ብዝወሰደ ቁፅሪ፡ ንኣብነት፥ እቲ ኣብ ጡብ ተላዒሉ ዝነበረ መንሽሮ ናብ ሓንጐል፣ ፀላም ከብድን ካልኦት ኣካላትን ብቐሊሉ ክላበድ ይኽእል። ብምኽንያት እዚ ድማ ክሓዊ ኣይኽእልን፤ ሞት ምፅባይ እዩ ዝኸውን\" ይብል ዶ\/ር ኣብዪ። ብመሰረት መብርሂ ፕሮፌሰር ኣብዪ፡ ኣብ ከይዲ ምርመራ እታ መንሽሮ ምህላው ትሕብር ሕበጥ ዕብይ እንተኢላ፡ ብሰንቲሜትር ተዓቂኑ ይፍለጥ እዩ። ንሓደ ሓደ ሰብ ሕክምና ጨረር የድሕኖ እዩ። ብፍላይ እቲ ሕበጥ ዕንትር እንተኢሉ፡ መጥባሕቲ ጥራይ ኣይኣኽሎን። በቲ ጨረር እቲ ሕማም ይቕተል። ስለ'ዚ ብመሰረተ ሓሳቡ፡ ሕማም መንሽሮ ኣቀዲምካ ብጋንኡ ክንፀርን ክፍለጥን እንተኽኢሉ ናይ ምሕዋይ ዕድሉ ዝሰፈሐ ይኸውን። ይሓዊ ዶስ ኣይሓውን ቅድሚ ምባል፡ ቅድመ መጠንቀቕታ የድልዮ። ኣብ ዓመት ክልተሻዕ፡ እንተወሃደ ግን ሓደሻዕ ምርመራ ምግባር፡ እቲ ሕማም ሱር ከይሰደደ ገና ብዕሸሉ እንተሎ ብሕክምና ንምምካን ዝበለፀ ይኸውን። ብፍላይ መንሽሮ ጡብን ኣፍደገ ማህፀንን ኣቀዲምካ ብምንፃር ተፈሊጡ ማለት ናይ ምሕዋይ ዕድሉ ኣየማትእን። ልዕሊ 45 ዕድመ ዝገበራ ኣደታት ብጡብ መንሽሮ ይህሰያ። መንሽሮ ኣፍደገ ማህፀን ግን ኣብ ደቂ 20 ዓመት መናእሰይ እውን ይረአ። መንሽሮ ጡብ ኣብ ትሕቲ 40 ብበዝሒ ኣይረአን። ገለ ሰባት ግን ብዘርኢ ተመሓሊፉ ዘጥቅኦም እውን ኣለዉ። ንኣብነት፥ ኣይሁድ ብፍላይ 'ኣስከናዢ ኣይሁድ' ዝበሃሉ ወላ እውን ኣብ ዕድመ ቁልዕነት ብበዝሒ ይህሰዩ። ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ዓሌት፡ እቲ መንሽሮ ኣሎ ዶ የለን ኢልካ ንምንፃር ኣቐዲምካ ፈተሻ ምክያድ ከምዘድሊ ፕሮፌሰር ኣብዪ የስተምህሩ። መንሽሮ ሳምቡእ ኣቐዲምካ ንምንፃር ኣይካኣልን፡ዝተሓላለኸ እዩ። ኣብ ኣመሪካ ብዙሕ ይፃዓር'ሎ፤ ግና ዛጊድ ውፅኢታዊ ኣይኰነን። ኰይኑ ግና ጠንቂን መከላኸልን መንሽሮ ሳምቡእ ንፁር እዩ። ሓደ ሰብ ሽጋራ ምስታይ እንድሕር ዘይጀመረ፡ ብመንሽሮ ሳምቡእ ናይ ምልካፍ ዕድሉ ኣዛዩ ትሑት እዩ። 90 ሚኢታዊት ጠንቂ መንሽሮ ሳምቡእ፡ ሽጋራ ምዃኑ ብዘየላጢ ርዱእ ክኸውን ኣለዎ። ካብዚ ወፃኢ ብኻልኦት ጠንቂታት፡ ወይ ድማ ኣብ ካልእ ኣካሉ መንሽሮ ዝተለኸፈ ሰብ ብእዋኑ ሕክምና ብዘይምውሳዱ ናብ ሳምቡእ ክላበድ እንተዘይክኢሉ፡ ሽጋራን መንሽሮ ሳምቡእን ቀጥታዊ ርክብ ከምዘለዎም ክፍለጥ ይግባእ ይብሉ ኣብቲ ዓውዲ ዝለዓለ ምሁር ፕሮፌሰር ኣብዪ። ኣብ ኣመሪካ ቁፅሪ ኣትከኽቲ ሽጋራ ብተኣምር ይንኪ'ሎ። ካብ 60ታት ኣትሒዙ እናነከየ ከምዝመፀአን ኣብዚ ሕዚ እዋን ብውሑድ ቁፅሪ ከምዝግመትን ይግለፅ። እዚ ድማ ህዝቢ ግንዛበኡ ይውስኽ ምህላዉ የርእየካ። ሽጋራ ዘፍርዩ ዝነበሩ ፋብሪካታት ብቢልዮናት ዶላር ተቐፂኦም እዮም። እቲ ብቕፅዓት ዝተረኸበ ገንዘብ ንመመሀሪ ሳዕቤን ሽጋራ ውዒሉ። ኣብ ኢትዮጵያ እውን ህዝቢ ፍልጠት ክረክብ እንተኽኢሉ ካብቲ ሓደጋ ክድሕን ከምዝኽእል እቶም ፕሮፌሰር ገሊፆም። ፕሮፈሰር ኣብዪ ወላ እኳ ኣብ ኣመሪካ ይንበር እምበር ሃገሩ ኣይረሰዐን። ናብ ኢትዮጵያ ብምምልላስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስን ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከብ ላዕለዋይ ሆስፒታል ዓይደርን ተረኺቡ ንሓካይም የምህር፤ ልምድን ዓቕሙን የሕልፍ፤ ዘድሊ ትምህርታዊ ናውቲ እውን ይሕግዝ ኣሎ። ብፍላይ ብዝመፀአ ቁፅሪ መጽሓፍቲ ካብ ምስካም ዓዲ ኣይወዓለን። ፕሮፌሰር ኣብዪ ኣብ መንሽሮ ጡብን ኣፈደገ ማህፀንን ዝለዓለ ተመራማሪ ኰይኑ ድሕሪ ምፅናሕ ሕዚ ድማ 'ኢሚኖሂስቶኬሚስትሪ' ማለት ድማ፡ ናብ ዝዓመቘ እንታይ ዓይነት መንሽሮ ጡብ ኢሉ ዘሊቑ ዝኣትው ምርምር ኣብ ምክያድ ይርከብ። እዚ ዓውዲ መፅናዕቲ እዚ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ገና ኣይተጀመረን። \"እዚ መፅናዕቲ እዚ፡ መንሽሮ ጡብ ምስተነፀረ እንታይ ዓይነት መንሽሮ ጡብ ብምባል ናብ ውሽጢ ዘሊቑ ዝኣትው ዓውዲ ምርመራ እዩ። ክልተ ዓይነት ኣሎ፤ መንሽሮ ብመሰረቱ ፅቡቕ ዝበሃል የብሉን ግን፡ ዕብይ ዝበለ ሕማቕን ንእስ ዝበለ ሕማቕን ከም ምባል ንበሎ። ነዚኦም ንምንፃር ዝግበር ምርመራ እዩ\" ፕሮፌሰር ኣብዪ ኣብዚ ዓውዲ እዚ ኣብ ኣመሪካ ፍሉጥ ላዕለዋይ ክኢላ ኰይኑ'ሎ። ምስ ከምኡ ዝበሉ ክኢላታት ብሓባር ይሰርሑ። \"በዚ ምርመራ ዝተነፀረ መንሽሮ ጡብ፡ እቲ ዝሓሸን መድሓኒት ዘለዎን እዩ። እዚ ዓውዲ'ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክጅምሩ ስለዝደለዩ፡ ትምህርቲ ይህብ ኣለኹ\" ብምባል የብርህ። ብተመሳሳሊ ሓሙሽተ ኣባላት ዝሓዘ፡ ማሕበር ኢትዮጵያውያን ፓቶሎጂስታት እውን ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት ተመስሪቱ እዩ። ኣብዚ ፕሮፌሰር ኣብዪ ምስ መሓዙቱ ብምዃን ርኡይ ፃዕሪ ኣካይዱ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ውሱናት ዓመታት ብዙሕ ደሃዩ ዘይፍለጥ ዝነበረ፡ ካብ ቀረባ ዓመታት ንነዘ ብዙሓት ሰባት ብመንሽሮ ይህሰዩ ከምዘለዉ ይፍለጥ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተማለአ ሕክምና ስለዘይርከብ ድማ ግዳያት ናብ ታይላንድን ህንድን ከይዶም ንኽሕከሙ ስድራቤታት ክሳብ ገዛውቶም ምሻጥ ይበፅሑ። ህዝቢ እውን ገንዘብ ኣዋፂኡ ወገናቱ ኣብ ምሕካም በፂሑ'ሎ። ኣብ መንጐ እዚ፡ ግዜ ስለዝወስድ፡ ገሊኡ ይምሰለሉ፤ ገሊኡ ድማ ኣይዀነሉን። ንምዃኑ ዝርገሐ እቲ ሕማም፡ ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከብ? \"ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን፡ ዝተወሰነ መፅናዕቲ ተገይሩ እዩ። ምስቲ ዝፍጠር ዘሎ ለውጢ ኣነባብራ፡ ቁፅሪ በቲ ሕማም ዝህሰ ሰብ ይውስኽ'ሎ። ኣብዚ ዘጠራጥር ነገር የለን። ኰይኑ ግና ቁፅሪ ሕሙማትን እቲ ዝወሃብ ኣገልግሎት ሕክምናን ኣይተጠዓዓመን። \"ካብዚ ብምብጋስ፡ ሓደ ሰብ መንሽሮ ክሓምም እንተሎ ናበይ እዩ ዝኸይድ? ብምንታይ እዩ ዝሕከም? እንተኢልካ ሕክምንኡ ድማ ክባር እዩ። በዚን ክንድ'ዚን ሽግር'ሎ። ሕዚ እቲ ዋና ክስመረሉ ዘሎ፤ መንሽሮ ምስ ሓዘካ ምሕካም ተይኰነስ ንኸይሕዘካ ክትገብሮ ዝግባእ ስራሕ እዩ እቲ ቀንዲ ተግባር\" ብምባል የረድእ። መንሽሮ ዝተሓላለኸ ጥዕናዊ ፀገም ምዃኑ ርዱእ ካብ ኰነ፤ እሞ ድማ ሕክምንኡ ከቢድ ምስ ምዃኑ፤ ቅድሚ ሕማም ምክልኻል ይከኣል ዶ? ዝብል ኣገዳሲ ሕቶ እዩ። መንሽሮ ቅድሚ ምንቃሉ ምክልኻል ዝከኣለሉ ኩነታት ኣሎ። እቲ ምክልኻሉ ከከም ዓይነታት መንሽሮ ክፈላለ ይኽእል። ብመሰረት መብርሂ እቶም ምሁር፡ ንኣብነት፥ መንሽሮ ሳምቡእ ንምክልኻል ሽጋራ ዘይምትካኽ ወይ ድማ ምቁራፅ፣ ልዕሊ ዓቐን ኣልኮላዊ መስተ ዘይምውሳድ ምዃኑ ተገሊፁ ኣሎ። ብዙሕ መስተ እሞ ድማ ደጋጊሙ ዝሰቲ ሰብ ንመንሽሮ ፀላም ከብዲ ብቐሊሉ ይህሰ። ዓቐን ዘይብሉ መስተ ጠንቂ ካልኦት ዓይነታት መንሽሮ እውን ይኽእል። ንኣብነት፥ ንመንሽሮ ጣፍያ፣ ፍሕኛን ካልኦትን ከንቅል ይኽእል። ኣብ መንጐ ሰታይን ዘይሰታይን ሰብ ርኡይ ዝዀነ ኣፈላላይ ይረአ። እዚ ድማ ብቐሊሉ ምክልኻል ይከኣል እዩ። ኣመጋግባና እውን ኬሚካል ዘለዎን ዝተዓሸገን ምግቢ ብበዝሒ ዘይምብላዕ፤ ብእግርኻ ምኻድ (ስፖርት ምስራሕ)፣ ክብደትካ ብምንካይን ካልኦት ጥዕናዊ መንገድታት ምትግባር ኣቐዲምካ ካብ መንሽሮ ምህዳም ይከኣል። እቲ ሕማም ዳርጋ ናይ ሃብታም ሰብ ሕማም ዝበሃለሉ ኩነታት ኣሎ። ጮማን ሓኸለን ምብዛሕ፣ እሞ ድማ ምስኡ ዘይምውስዋስ ዝያዳ የቃልዕ። መኪና ገዲፍካ ብበዝሒ ብእግርኻ ምኻድ፣ ሓምሊ ኣድርን ሽሮን ምብዛሕ ልዑል ተመራፅነት ኣለዎ። \"መንግስቲ ክወስዶ ዝግበኦ ስጉምቲ እውን'ሎ፤ ትኪ መካይን ንምንካይ ዝኣረጋ መካይን ኣገልግሎት ከይህባ ምግባር ሓደ ሜላ መከላኸሊ ምዃኑ ብኣግባቡ ክፍለጥ ኣለዎ\" ኢሉ። በጀት መንግስቲ እውን ኣብ ምንታይ ክውዕል ኣለዎ ዝብል ክፅናዕ ኣለዎ ይብል ፕሮፌሰር \"ንኣብነት፥ መንሽሮ ሓንጐል ንምክልኻል ክንድ'ዚ ገንዘብ ንመድብ ከበሃል እንተኽኢሉ፡ ምናልባሽ ኣብዚ ዓዲ ብበዝሒ ዘይክህሉ ይኽእል እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ መንሽሮ ኣፍደገ ማህፀን ብበዝሒ እዩ ዝረአ፤ ጠንቁ ድማ ረኽሲ እዩ፤ ብቫይረስ እዩ ዝለዓል፤ ብኣመንዝራን መከላኸሊ ብዘይብሉን ጥንቃቐ ብዝጐደሎን ፆታዊ ረኽቢ ይመፅእ። ግን ድማ ግዜ ከይወሰደ እንተተነፂሩ ማህፀን ከየውፃእኻ ክድሕን ዝኽእል ሕማም እዩ። ምናልባሽ መንሽሮ ጡብ ንምክልኻል ዓመታዊ ምርመራ ንምክያድ ከም ሃገር ክቡር እዩ፤ መንሽሮ ኣፍደገ ማህፀን ግን ቀሊል እዩ\" ብምባል ይገልፅ። ኣብ ኢትዮጵያ ተጀሚሮ ዘሎ ሕብረተሰባዊ መድሕን፡ ብፍላይ ኣብ ገጠር ህዝቢ ገንዘብ ክውህልል ይግበር ስለዘሎ፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ነቲ ብበዝሒ ዝረአ ዘሎ መንሽሮ ኣፍደገ ማህፀን ኣቐዲምካ ንምክልኻል ክሕግዝ ከምዝኽእል እቶም ምሁር ተዛሪቦም። ፕሮፌሰር ኣብዪ ኣምባየ ኣብ መቐለ ኣብ ጅብሩኽን ቀበሊ 14ን እዩ ዓብዩ። ኣብታ ዝመፅአላ ግዜ ምስቶም ስዋ እናሰተዩ ዝዓበዩ ኣዕሩኹ ይራኸብ። ካብ ኢትዮጵያ ካብ ዝወፅእ 37 ዓመታት፡ ካብ ትግራይ ካብ ዝወፅእ ድማ 42 ዓመታት ገይሩ'ሎ። ፕሮፌሰር ኣብዪ ኣቦ ክልተ ኣዋልድ እዩ። ምስቶም ሞያዊ መሓዙቱ ኰይኑ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክልኒክ ከፊቶም ስለዘለዉ ናብ ዓዲ ምልስ ምልስ ይብል'ሎ። መንግስቲ ትግራይ ድማ ምስ ምሁራን ተደጋጊፉ ንምስራሕ ዝጀመሮ ለውጢ ኣዝዩ ከምዝንእድን ምስ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል እውን ተራኺቡ ከምዝዘተየን ገሊፁ። \"ዘይረ ዘይረስ ናብ ዓደይ ገፀይ እየ\" እዩ ዝብል።","category":"መንሸሮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51367649"} {"headline":"ስነ ስርዓት መርዕኣ ኣብ ሆስፒታል ዘካየደት ግዳይ ሕማም ካንሰር","content":"ንኣስታት 6 ኣዋርሕ ኣብ ሆስፒታል ምስ ካንሰር ክትቃለስ ዝጸንሐት ታሽ፡ መርዓ ክትገብር ሕልሚ ስለዝነበራ ምስ ክምርዓዋ ዝደሊ ዝነበረ ኣፍቃሪኣ ስነ ስርዓት መርዕኣ ኣብ ሆስፒታል ክትገብሮ ተገዲዳ። ድሕሪ ናይ ሓደ ወርሒ ሓዳር ንሳ ሞይታ በዓል ቤታ ድማ ዘይሃስስ ተዘክሮ ኣትሪፉ።","category":"መንሸሮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53476725"} {"headline":"ሴኔጋል ሕክምና መንሽሮ ጡብ ብናጻ ክትህብ እያ","content":"መንግስቲ ሰኔጋል፡ ብናይ ጡብ መንሽሮ ከምኡ ድማ ብመንሽሮ ኣፍ ማህጸን (ሰርቪካል ካንሰር) ንዝሳቐያ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ህዝባዊ ሆስፒታላት ናጻ ናይ ኬሞቴራፒ ሕክምና ከምዝህብ ኣፍሊጡ'ሎ። እቲ ናጻ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት፡ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ እዩ ክወሃብ ተባሂሉ። \"ብቀንዱ ንደቂኣንስትዮ ዘጥቅዑ ዓይነታት መንሽሮ እዚኦም ስለዝኾኑ፡ [እቲ ኣገልግሎት ክወሃብ ብምዃኑ] እፎይታ ረኺብና'ለና\" ኢላ ፕረዚደንት ማሕበር ጸረ ሕማም መንሽሮ ሴኔጋል። ንኻልእ ዓይነት ሕማማት መንሽሮ ዝወጽእ ናይ ሕክምና ወጻኢታት፡ እቲ 60% ሚእታዊት ተመላሲ ከምዝኸውን ድማ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ። ከም ሩዋንዳ፡ ናሚብያን፤ ሲሸልስን ዝኣመሰላ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ'ውን፡ ሕክምና ኬሞቴራፒ ብናጻ ይህባ እየን። መንግስቲ ሰኔጋል ነዚ ሓድሽ ውጥን መፈጸሚ ዝኸውን 1.6 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ መዲቡ'ሎ። ኣብ 2015፡ ብውሕዱ 30% ሚእታዊት ናይ ኩሎም ዓይነታት ሕማም መንሽሮ ናይ ሕክምና ወጻኢ ክሽፍን፡ መንግስቲ እታ ሃገር ተሰማሚዑ እዩ። እንተኾነ፡ ዓቕሚ ኣብ ግምት ብዘእተወን ዕውት ብዝኾነ መገዲን፡ ኣገልግሎት ሕክምና ሕማም መንሽሮ ንምሃብ፡ ሕዚ'ውን እንተኾነ ብዙሕ ብድሆታት ኣሎ። ንኣብነት፡ ሕማም መንሽሮ ጡብ ንምልላይ ዘገልግል ማሞግራም ዝበሃል መሳርሕታት፡ አብታ ሃገር ዝያዳ ከምዘድሊ ሓደ በዓል ሞያ ይገልጽ። ካብ ሕክምና ኬሞቴራፒ ብተወሳኺ፡ ኣብቲ መንሽሮ ዝጀመረሉ ኣካል፡ ነቲ ሕማም ንምቁጽጻር ዘኽእል ሕክምና ሬድዮቴራፒ'ውን ኣድላዩ ምዃኑ ይጥቀስ።","category":"መንሸሮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49738565"} {"headline":"ተመራመርቲ፡ ሕንዚ ንህቢ ንዋሕዮታት መንሽሮ ጡብ ከምዝቐትል ኣረጋጊጾም","content":"ኣውስትራልያውያን ተመራመርቲ ሕንዚ ንህቢ ንዋህዮታት መንሽሮ ጡብ ከምዝቀትል ኣረጋጊጽና ኢሎም። እቶም ተመራመርቲ፡ ኣብ ቤተ ፈተነ ኣብ ዝገበርዎ ፈተነ እቲ ሕንዚ መሊቲን ዝብሃል ባእታ ከምዘለዎን ነቶም ንኽሓውዩ ኣዝዮም ከበድቲ ዝኾኑ ትሪፕል ነጋቲቭን ኤችኢኣር2 ዝተብሃሉን ዓይነታት መንሽሮ [ሕማም ካንሰር] ከሕውዮም ከምዝከኣለ ገሊጾም። እቲ ውጽኢት ኣተባባዒ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እዞም ተመራመርቲ ተወሳኺ ምርምራት ከምዘድልዩ ግን ኣይሓብኡን። ናይ ጡብ መንሽሮ ሓደ ካብ ዓይነታት መንሽሮ ኮይኑ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ዘጥቅዕ ዘሎ ሕማም እዩ። ኣብ ቤተ ፈተነ ነቶም መንሽሮ ዘስዕቡ ዋህዮታት ዘጥቅዑ ብዙሓት ከሚካላት ከምዝተስርሑ ብምሕባር እንተኾነ እቶም ውሑዳት ጥራይ ኣብ ሰብ ተፈቲኖም ነቲ መንሽሮ ኣብ ምሕዋይ ተራ ይጻወቱ ከምዘለዉ እዩ ዝግለጽ። ሕንዚ ንህቢ፡ ጸረ ዋህዮታት መንሽሮ ከምዘለዎ ኣቐዲሙ ዝተገበረ ምጽናዕቲ እኳ ኣረጋጊጽዎ እንተነበረ ኣብ ማላኖማ ዝብሃል መንሽሮ እምበር ኣብ ትሪፕል ነጋቲቭን ኤችኢኣር2 ዝተብሃሉን ዓይነታት መንሽሮ ውጽኢት ከምጽእ እዩ ዝብል ትጽቢት ኣይነበረን። እዚ ኣብ ኣውትራልያ ዝርከብ ሃሪ ኦርኪንስ ዝተብሃለ ትካል ምርምር ዝገበሮ መጽናዕቲ ነቲ ዝተረኸበ ውጽኢት ተቐባልነቱ ንከውሕስ ኣብ ናቹራል ፐሪሲሽን ኦንኮሎጂ ዝተብሃለ መጽሄት ኣሕቲምዎ ኣሎ። እቲ ምርምር እንታይ’ዩ ሓዲሽ ርኽበት እዩ ኣመዝጊቡ? እቲ ሕንዚ ካብ 300 ኣናህብ እዩ ተዋህሊሉ። ሓንቲ ካብቶም ነቲ መጽናዕቲ ብምሪሕነት ዘካየደቶ ጓል 25 ዓመት ዶክትር ሲያራ ዱፊ ኮይና እቲ ውጽኢት ሕማም መንሽቶ ጡብ ንኽፍውስ “ኣዝዩ ዓቢ ዓቕሚ ዘለዎ’ዩ” ኢላ። ዶክትር ሲያራ ዱፊ “እቲ ሕንዚ ናይቲ ንህቢ፡ ንኻልኦት ዋህዩታት ናይቲ ሕሙም ሃስያ ከየውረደ ነቶም ዋህዮታት መንሽሮ ጡብ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ናይ ምቕታል ዓቕሚ ዘለዎ’ዩ” ኢላ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብቲ ሕንዚ ንህቢ ዝርከብ መሊቲን ዝባህል ባእታ እቶም ዋህዮታት ናይ ጡብ ካንሰር ከይራብሑ ዝኽልክል ኮይኑ ከምዝረኸብዎ’ውን እታ ዶክተር ገሊጻ። እቲ ኣብ ሕንዚ ንህቢ ዝርከብ መሊቲን ዝተብሃለ ባእታ ኣብ ቤተ ፈተነ ክስራሕ ስለዝኽእል ከኣ ዝያዳ እፎይታ ዝፈጥር እዩ ይብል እቲ መግለጺ። እቲ ካብ 10 ክሳብ 15 ካብ ሕሙማት መንሽሮ ጡብ ዝሓመኦ ትሪፕል ነጋቲቭ ዝተሰመየ መንሽሮ ጡብ ሓደ ካብ ሓደገኛታት መንሽሮታት ጡብ ኮይኑ ንምፍዋሱ ብመጥባሕቲ፡ ራድኦትራፕን ኬሞትራፕን እዩ ክፍተን ጸኒሑ።","category":"መንሸሮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53998559"} {"headline":"ሓንቲ ኣውስትራልያዊት ሓድሽ ሕጊ ተጠቒማ ብፍቓዳ ሞይታ","content":"ሓንቲ ኣውስትራልያዊት፡ ብሕክምና ተሓጊዛ ክትመውት ዘኽእላ ሓድሸ ሕጊ ኣውስትራልያ ብምጥቃም፡ ብፍቓዳ ዝሞተት ፈላመይቲ ሰብ ኮይና። ብዘይድሕን ሕማም መንሽሮ [ካንሰር} ክትሳቐ ዝጸንሓት ጓል 61 ዓመት ኬሪ ሮበርትሰን፡ ኣብ ግዝኣት ቪክቶርያ ኣብ ሓደ ጣብያ ጥዕና እያ ብፍቓዳ ሞይታ። ብሕክምና ተሓጊዛ ክትመውት፡ ኣዘራራቢ ዝኾነን ንክጸድቕ 26 መዓልታት ዝወሰደ ክትዕ ዝተገበረሉን ኣብ ግዝኣት ቪክቶርያ ጥራሕ ዝርከብ ሕጊ እዩ ፈቒዱላ። ስዳራኣ \"እቲ ዝደለየቶ ሞት እያ ረኺባ\" ዝብል ርኢይቶ ሂቦም። እዚ ኣብ 2010 ኣብ ኣጥቧታ ዝጀመረ ሕማም መንሸሮ፡ ጸኒሑ ናብ ኣዕጽምታ፣ ሳንባኣ፣ ሓንጎላን ከብዳን እዩ ተላቢዑ። ቤተሰባ ከምዝበሉዎ፡ ክትወስዶ ዝጸንሓት ኬሞቴራፒን ካሊእ ሕክምናዊ ረድኤትን ጎናኣዊ ጉድኣቱ ስለዘመዘነን ነቲ ቃንዛ ክትጻወሮ ስለዘይከኣለትን ጠጠው ኣቢላቶ እያ ጸኒሓ። እዚ ዛጊድ ኣብ ግዝኣት ቪክቶርያ ጥራሕ ዝርከብ ሕጊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እዩ ክትግበር ጀሚሩ። ብዘይድሕንን ዘይሓውን ሕማም ዝሳቐዩ ሰባት፡ ብሕክምና ተሓጊዞም ብፍቓዶም ክሞቱ ድማ ይፈቅድ። ጓላ ኒኮላስ ሮበርትሶን ነቲ ፍጻመ ኣመልኪታ ክትዛረብ ከላ \"ኣብ ህይወታ ክንሕግዛ ዝከኣለና ኩሉ ገይርና ኢና። ዘናስሕ የብልናን። ኣብ መወዳእትኡ ድማ ክትመውት'ያ መሪጻ። ዕረፍቲ ይሃባ። እዚ ዓብይ ነገር እዩ\" ኢላ። እዚ ሕጊ ተፈጻሚ ክኸውን እንተድኣኾይኑ፡ እቲ ሰብ ካብ 18 ዕድመ ንላዕሊ ክኸውን ከምዘለዎ፣ ናይ ምንባር ዕድሉ ድማ ትሕቲ 6 ወርሒ ምዃኑ ዝተረጋገጸ ክኸውን ከምዘለዎ የገድድ። እቲ ፍቓድ ዝሓትት ሰብ ድማ ሰለሰተ ግዘ ከመልክት ኣለዎ። ካልኦት ግዝኣታት ኣውስትራልያ ነዚ ሕጊ ከጽድቓ ምንቅስቓሰ ከምዝጀመራ ተፈሊጡ። ፈዴራል መንግስቲ ኣውስትራልያ ነዚ ኣካታዒ ሕጊ ዛጊድ ኣይጽደቖን። ካናዳ፤ ቤልጂየምን ኔዘርላንድስን ነዚ ሕጊ ዘጽደቓ ሃገራት ኮይነን ይጥቀሳ።","category":"መንሸሮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49235414"} {"headline":"ወርሒ ምዕባይ ግንዛበ መንሽሮ ጡብ፡ 'ኣብ ዝኾነ ዕድመ ዘጋጥም ምዃኑ ኣነ ምስክር'የ'","content":"ሉሲ መጀመርታ ኣብ ጡባ ሕበጥ ክትረክብ እንከላ፡ ፈጺሙ መንሽሮ [ካንሰር] ክኸውን'ዩ ዝብል ግምት ኣይነበራን። ጡባ ናይ ምፍታሽ ልምዲ ስለ ዘይነበራ \"ሃንደበት\" እያ ኣብቲ ከባቢ ሕበጥ ምህላው ፈሊጣ። \"ጓል 50 ዓመት ምስ ኮንኩ ምፍታሽ ክጅምር'የ ኢለ ይሓስብ ነይረ\" ዝበለት ሉሲ መርመራ ምስ ገበረት ኣብ 26 ዕድሚኣ መንሽሮ ጡብ ከም ዘለዋ ፈሊጣ። ኣብዚ ወርሒ ኢንግሊዛዊት ድምጻዊት ሳራ ሃረዲንግ ብሰንኪ መንሽሮ ጡብ ከም ዝሞተት ይፍለጥ። በዚ ምኽንያት መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ብኣጋ ኣጥባተን ሕበጥ ከይህሉ ክፍትሻን መርመራ ክገብራን ይምዓድ። ብዙሓት መናእሰይ እቲ ሕማም ከጥቅዐን ከም ዝኽእል ግንዛበን የብለንን፤ እንተኾነ መንሽሮ ካብ 25 ክሳብ 49 ዕድመ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ከጋጥም ምርኣይ ልሙድ ይኸውን ኣሎ። 'ዶክተር ትም ኢሉ' ሉሲ፡ ሃንደበት ካብ ስራሕ ናይ ሓደ መዓልቲ ዕረፍቲ ወሲዳ ናብ ሕክምና ከይዳ። \"እዚ ኩል ግዜ'የ ዝሓስቦ፤ ሽዑ ካብ ስራሕ ዕረፍቲ ምውሳደይ ዕድለኛ እየ። ሳልኡ'የ ሕጂ ኣብዚ ዘለኹ እምበር ካልእ ነገር ክፍጠር ይኽእል ነይሩ\" ትብል። ሉሲ፡ መጀመርታ ሓኪም ናብ ናይ ጡብ ሕክምና ኪዲ ክብላ እንከሎ ሕጂ'ውን ኣይጠርጠረትን። ሓፍታ በጃኺ ኣልትራሳውንድ ግበሪ ኢላ ክትጭቕጭቓ ከላ ግን ገለ ሕማቕ ነገር ኣሎ ኢላ ክትሓስብ ጀሚራ። \"እቲ ሓኪም ትም ኢሉ\" ዝበለት ሉሲ ድሕሪ ሰሙን መንሽሮ ከም ዝኾነ ተነጊሩዋ። ድሮ ክኣ ናብ መትንታታ ክዝርጋሕ ጀሚሩ። ስለዚ ብቕልጡፍ ኬሞቴራፒ፣ ጸርገ ምፍዋስን [ራዲዮቴራፒ] መጥባሕትን ክትገብር ግድን ኮይኑ። \"ክበልዕ ኮነ ክድቅስ ዘይኽኣልኩሉ ግዜ ነይሩ። ኣብ መዓልቲ ን20 ሰዓታት ከይደቀስኩ . . . ካብቲ ዝተጋደምኩሉ ዓራት ከይተሳእኹ ይሓልፍ። ተዳኺመ፣ ቆርበተይ ሓሚቑ፣ ሽፋሽቲ ዓይነይ ከይተረፈ ኩሉ ጸጉሪ ርእሰይ ረጊፉ\" ትብል። ሉሲ፡ መጥባሕቲ ምስ ተገብረላን ራዲዮቴራፒ ምስ ወሰደትን ጽቡቕ ብስራት ትሰምዕ፤ ዋላ ሓደ መንሽሮ ዘለዎም ዋህዮታት ከም ዘይተረፉ ተነጊሩዋ። ሕጂ ናይ ሆርሞን ሕክምና እናወሰደት ኣብ ለንደን CoppaFeel! ተባሂሉ ምስ ዝጽዋዕ ኣብ ምዕባይ ግንዛበ መንሽሮ ዝነጥፍ ገባሪ ሰናይ ትካል ትሰርሕ ኣላ። \"ኣየጋጥመንን ኢልክን ኣይትሕሰባ። ክፉእ ምሕሳብ ዘይኮነስ ናይ ግንዛበ ጉዳይ'ዩ\" ክትብል ትምዕድ። ብኻልእ ወገን \"ኣብ ዙርያ ሕማም ዝስዕብ ኢንታ ስለ ዘሎ ኣግሂድና ብዛዕባ ሕማማት ከነውግዕ ኣይንደልን፤ ክንዛረብ'ዩ ዝግባእ። ኣብቶም ብዛዕባ መንሽሮ ዝስርሑ መወዓውዒታት'ውን ጸለምቲ ሰባት ኣይርእን . . . ጸለምቲ ብዛዕባ መንሽሮ ክዛረባ ኣይርእን። ዘጋጥመና ኣይመስልን\" ኢላ። ፍራን'ውን መንሽሮ ጡብ ከጋጥመኒ'ዩ ዝብል ግምት ኣይነበራን፤ እንተኾነ ጓል 14 ዓመት እናሃለወት ኣብ ጡባ ሕበጥ ምህላው ኣለልያ። መጀመርታ ዶኳትር \"ናይ ሆርሞን\" ሕበጥ'ዩ ኢሎም መሊሶምዋ። ድሕሪ 18 ኣዋርሕ ግን ካልእ ሕበጥ ምስ ረኸበት ዳግም ተመሊሳ ብምኻድ መርመራ ገይራ። ብተደጋጋሚ ድሕሪ ዝተገብረላ መርመራ ድማ ደረጃ ኣርባዕተ መንሽሮ ጡብን ናይ ርእሲ ሕበጥን ከም ዘለዋ ፈሊጣ። ንኽልተ ዓመት ጥራይ ብህወይት ክትጸንሕ ከም እትኽእል ሓካይም ነጊሮምዋ። \"ጓል 25 ዓመት ነይረ፤ ጽቡቕ ተኽለ ሰብነት ዝነበረኒ ሰብ እየ። ግን ድማ እዚ ንኹሉ ኣብ ዝኾነ ዕድመ ከጋጥም ዝኽእል ምዃኑ ህያው ምስክር'የ\" ትብል። \"ተኸታታሊ ናይ ኬሞቴራፒ\" ሕክምና እናገበረት ስለ ዝመጽአት ሕጂ እቲ መንሽሮ ዝግ ኢሉ ኣሎ። \"መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ መንሽሮ ጡብ ክገጥመን ይኽእል'ዩ\" ዝብል ግንዛበ ንምዕባይ ድማ ታሪኻ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ተካፍል ኣላ። \"ኩሉ ዝሓለፍኩዎ ሰኒደዮ'የ፤ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ'ውን ብግልጺ ኣውጊዐሉ። እዚ ጉዳይ ናይ ዓበይቲ ጥራሕ ዝመስሎ ኣሎ። ኣነ'ውን ቅድሚ ሓደ ዓመት ክሳብ ዝዓቢ ክጭነቐሉ የብለይን ኢለ ይሓስብ ነይረ\" ትብል።","category":"መንሸሮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58723230"} {"headline":"መንሽሮ ኣብ ሰኔጋል፡''ሕክምና መንሽሮ ንምግባር ዝነበረኒ ኩሉ ሸይጠ''","content":"' ብጣዕሚ ክቡር እዩ። እዚ ክጅምር ከለኹ ዝነበረኒ ኩሉ ክሸይጥ ተገዲደ'' ትብል ብሕማም ካንሰር ዝተጠቕዐት ኣዋ ፎሎረንስ። ''ዝተረፈኒ ነገር የብለይን። በዓል ገዛይ 'ውን ሞይቱ እዩ፤ ንተወሳኺ መርመራ ዝኸውን ገንዘብ የብለይን\" ክትብል'ውን ትዛረብ። እዛ ነባሪት ርእሰ ከተማ ሰኔጋል፡ ዳካር፡ ዝኾነት ሰራሕተኛ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሕክምና መንሽሮ ማህጸን ገይራ ነይራ። መንሽሮ ኣብ ኣፍሪካ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ጸገም ጥዕና ኮይኑ፤ ሰኔጋል ድማ ኣብ ሆስፒታላት መንግስቲ ዝግበር ሕክምና ጨረር (ኬሞቴራፒ) ብምድጓም ኣገልግሎት ሕክምና ንምምሕያሽ እትፍትን ዘላ ሃገር እያ። መንግስቲ ብናይጡብን ካልእ ዓይነት መንሽሮ ንዝተጠቕዓ ደቂ ኣንስትዮ መድሓኒት ብነጻ ከምዝህብን፡ ዋጋ መድሓኒታት ካልኦት ዓይነታት መንሽሮ ድማ ክሳብ 60 ምኢታዊት ከምዝንክን ኣፍሊጡ ኣሎ። ገለ ንጎናዊ ሳዕቤናት ሕክምና ጨረር ዝሕክሙ መድሓኒታት'ውን ክሽፍን ምዃኑ ዳይረክተር ሆስፒታላት መንግስቲ ካዲ ምባየ ሲላ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። እንተኾነ ካንሰር ብዙሕ ግዘ ክንዮ ጨረር ዝተሓላለኸ ሕክምና ዝጠልብ እዩ። እዚ ድማ ነቲ ሕክምና ዝወጽእ ዋጋ ክቡር ክኸውን ገይሩ እዩ። '' ሓዱሽ ጎማ ከም ምግዛእ እዩ። መኪናኻ ንኽትንቀሳቐስ ብተወሳኺ ነዳዲ፣ መገድን መዘወሪ ፍቓድን የድልየካ'' ይብል ዳይረክተር ምንቅስቓስ ዓለማዊ ጥዕና ጡብ ዶክተር ቤን ኣንደርሰን። ናይጡብን ካልእ ዓይነት መንሽሮን ኣብ ትሕቲ ሳህራ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪካ እቶም ቀንዲ ሞት ዝኾኑ ዓይነታት ሕማም እዮም። እንተኾነ ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ እዩ ምክልኻልን ምቁጽጻርን እዞም ሕማማት ጉዳይ ማሕበራዊ ጥዕና ተገይሮም ክውሰዱ ጀሚሮም። ኣብ ገለ ሃገራት ዝላብዑ ዘይተላገብቲ ሕማማት ብሚልዮን ንዝቑጸሩ ሰባት ናብ ድኽነት ከምዘቃልዕዎም ውድብ ጥዕና ኣለም ኣብ 2011 ኣ.ኣ ገሊጹ ነይሩ። ክሳብ ቀረባ እዋናት ሓለዋ ጥዕና ኣደታት ኣፍሪቃ ኣብ ግዘ ዘይህቡ ሕማማት፣ ተመሓላለፍትን ምስ ጥንሲ ተተሓሒዞም ኣብ ዝመጹ ሕማማትን ዘተኮሩ እዮም ነይሮም። ብምኽንያት ድኹም ኣመጋግባ፣ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይምግባር፣ ምጥቃም እጽን ትምባኮን ሸከም መንሽሮ ኣብቲ ኣህጉር እናዓበየ መጺኡ። መንሽሮ ካብ ምርመራ ጀሚሩ ክሳብ ሕክምንኡ ድጎማ ክግበረሉ ከምዘለዎ ኣብ ዳካር-ሰኔጋል ካብ ዝርከቡ ውሑዳት ሰብ ሞያ ሓደ ዝኮነ ዶክተር ማማዱ ድዮፕ ይገልጹ። ኣብ ሰኔጋል ሕክምና ጨረር ከባቢ 250 ዶላር፡ መጥባሕቲ ድማ 330 ዶላር ይውድእ። እዚ ከኣ እቲ ሕሙም ክሳብ 1600 ዶላር ዝሓትት ምርመራታት ምስ ኣካየደ እዩ። ከም ፍሎረንስ ንዝኣመሰላ ብወርሒ ካብ 80 ዶላር ዘይበልጽ ኣታዊ ዘለወን ኣዝዩ ክባር እዩ። እቲ ሓዱሽ ኣካይዳ ግን ከምኣ ንዝበላ ክሕግዝ ከምዝኽእል ፍሎረንስ ትገልጽ። እንተኾነ ክብደት እቲ መስርሕ ህጹጽ መድሓኒት ምስ ዘድሊ ከመይ ከምዝግበር ሰለዘይትፈልጥ ገለ ስክፍታታት ኣለዋ። ሕጽረት ሓበሬታ ''መጀመርያ ነቲ ክፍሊት ምስ ረአይኹዎ ምብካይ ጀሚረ። ክኸፍል ዓቅሚ ከምዘይብለይ ነቲ ዶክተር ነጊረዮ'' እትብል ፍሎረንስ፡ ክሕግዝዋ ምስዝኽእሉ ኣብ ምክልኻል መንሽሮ ዝሰርሑ ትካላት ከምዘራኸባ ትዛረብ። ''ሕክምና ጨረር ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ነቲ ሕክምና ደጊመ ከምዘይወስዶ ክነግረኒ ይመርጽ። ጎናዊ ሳዕቤኑ ስቓይ ኣለዎ፤ ጽቡቕ መግቢን ፍረታትን ክትምገብ ኣለካ፤ ነዚኦም እትረኽበሉ መገዲ እንተዘይ ሃልዩ ግን ከቢድ እዩ'' ትብል። መንግስቲ ሰኔጋል ከምዚ ይበል እምበር፡ በቲ ሕማም ዝተጠቕዓን እቲ ሕማም ከምዘለዎም ከይፈለጡ ብዙሕ ዝሳቐዩን ሰባት ኣብታ ሃገር ከምዘለዉ ዶክተር ድኦፕ ይዛረብ። ብሓፈሻ ኣብ ድኻታት ሃገር ዘሎ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ካብ መንሽሮ ናይ ምድሓን መጠን፡ ካብ 10 ክሳብ 20 ምኢታዊት እንትኾን ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ግን ካብ 80 ክሳብ 90 ምኢታዊት ከምዝበጽሕ ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ። ካብቶም ቀንዲ ምኽንያታት ድማ እንተኾነ እቲ ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ዘሎ ቀንዲ ጸገም፡ ኣብ ምግፋሕ መንሽሮ ትኽክለኛ ሓበሬታ ዘይምህላዉ እዩ። እዚ ድማ ሓንፈጽቲ ፖሊሲ ክፍትሹን መፍትሒ ክውስዱን ኣጸጊሙሎም እዩ። ሲሶ ረኽሲታት ካንሰር፡ እቶም ቀንዲ መንቀሊ ዝኾኑ ነገራት ብምትራፍ ክንከላኸሎም ከምእንኽእል ዶክተር ባራንጎ ይገልጽ። መብዛሕተአን ሃገራት ኣፍሪካ ትምባኾ ንምክልኻል ዘኽእሉ ውጥናት ብምውጻእ መንሽሮ ንምክልኻል ስጉምቲታት ጀሚረን ከምዘለዋ ዝገልጽ ዶክተር ባራንጎ፡ ሕማማት መንሽሮ ማህጸን ንምክልኻል ዘኽእሉ ናይ ምምያ ስራሕቲ ይካየዱ ከምዘለዉ ሓቢሩ። ኣብ መብዛሕተአን ሃገራት ኣፍሪካ ልሙድ ዝኾነ ሕማም መንሽሮ ማህጸን፡ ብኽታበትን ምመያን ምክልኻል ከምዝከኣል ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ። ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ቦትስዋና፣ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ዚምባብወ፣ ሰኔጋልን ማላዊን ነቲ ሕማም ንምክልኻል ዘኽእል ክታበት ኤችፒቪ ዘተኣታተዋ ሃገራት እየን። እቲ ዝበዝሕ ገንዘብ ግንዛበ ኣብ ምፍጣር፣ ሰባት ፈለምቲ ምልክታት ሕማም መንሽሮ ክርድኡ ኣብ ምግባርን ጥዕንኡ ዝተሓለወ ኣመጋግባ ክህልዎም ኣብ ምምሃርን እንተዝውዕል፡ ብዙሕ ህይወት ምድሓን ከምዝከኣል ሰብሞያ ይዛረቡ።","category":"መንሸሮ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50560635"} {"headline":"ሕቡራት ሃገራት፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት እትፍጽሞ ዘላ ግፍዒ ከጻርይ እዩ","content":"ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስቲ ኢራን ሰላማዊ ሰልፍታት ንምብታን ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ንዝወስዶ ዘሎ ቀታሊ ስጉምቲ ዘጻርይ ጉጅለ ንምጥያስ ወሲኑ። ምዕራባውያን ዲፕለማሰኛታት፡ ነቶም ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት በደል ዝፍጽሙ ዘለዉ ተሓተትቲ ንምግባር ዘይሻራዊ ምጽራይ ከምዝካየድ ዝገለጹ ኮይኖም እቲ ውሳነ ነተን ኣብ ኢራን ተቓውሞ ዘካይዳ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ሓያል ናይ ደገፍ  መልእክቲ ከምዝኾነ ሓቢሮም። ኢራን ብወገና እቲ ውሳነ ፖለቲካዊ ተንኮል ክትብል ነጺጋቶ። ነቲ ውሳነ ንምሕላፍ እቲ ባይቶ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ 25 ሃገራት ናይ ደገፍ ድምጺ ክህባ እንከለዋ ኤርትራ እትርከበን ሽዱሽተ ሃገራት - ኣርሜንያ፡ ቻይና፡ ኩባ፡ ፓኪስታንን ቬንዝዌላን- ተቓዊመንኦ። 16 ሃገራት ከኣ ድምጸን ዓቂበን። ኣብ መኽፈቲ እቲ ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ተርክ፡ ኢራን ኣብ “ምሉእ ቅልውላው” ከምዘላ ኣጠንቂቑ። ኣብታ ሃገር ኣብ ዝሓለፉ ትሸዓተ ሰሙናት ልዕሊ 300 ሰባት ምቕታሎምን ኣስታት 14 ሽሕ ምእሳሮምን እውን “ዘይቅቡል” ክብል ወቒሱ። እቲ ብደቂ ኣንስትዮ ዝምራሕ ተቓውሞ፡ ማህሳ ኣሚኒ ዝተባህለት ጓል 22 ዓመት ንእስቲ፡ ደቂ ኣንስትዮ ጸጉረን ክሽፈና ዝእዝዝ ሕጊ ጥሒሳ ተባሂላ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ድሕሪ ምእታዋ ምሟታ ስዒቡ ዝተጀመረ እዩ። እቲ ተቓውሞ ኣብዚ እዋን ናብ ልዕሊ 150 ከተማታት፣ 140 ዩኒቨርሲቲታትን ኩለን 31 ግዝኣታትን እታ ሃገር ክሰፍሕ እንከሎ፡ ድሕሪ 1979 ነታ እስላማዊት ሃገር ዝፈተነ ከቢድ ተቓውሞ ከምዝኾነ እዩ ዝእመን። ነቲ መርማሪ ጉጅለ ንምጥያሽ ዝቐረበ እማመ ግን ከምቲ ዝተሓሰበሉ ድጋፍ ኣይረኸበን። ንውሳነ እቲ ካውንስል ዝነኣደ፡ ጸሓፊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ እቶም ንህዝቢ ኢራን ዝዕምጽጹ ዘለዉ ክፍለጡን ተግባራቶም ክስነድን ዝሕግዝ እዩ ኢሉ። ኮይኑ ግና መንግስቲ ኢራን ነቶም ጉጅለ መርመርቲ ናብታ ሃገር ክኣትው ከፍቅደሎም ዘለዎ ተኽእሎ ሒደት እዩ። ሓላፊ እቲ ካውንስል ተርክ ኣብ መኽፈቲ ዘረብኡ “ዘየድልን መጠን ዝሓለፎን ሓይሊ ምጥቃም ደው ክብል ኣለዎ” ክብል ዝገለጸ ኮይኑ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ከምዝሓዘነ እውን ተዛሪቡ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ኣነሊና በይርቦክ ብተመሳሳሊ፡ ኢራን ሰብኣዊ መሰላት ክተኽብርን ተቓውሞ ከይትጭፍልቕን ዝቐረበላ ተደጋጋሚ ጻውዒት፡ ክትነጽጎ ጸኒሓ ኢላ። ተወካሊት ኢራን ከዲጃ ካሪሚ ግና ሃገራት ምዕራብ “ነዚ ክሰብካ ሞራላዊ ተኣማንነት የብለንን” ክትብል ነቶም ክስታት ነጺጋቶም። ንሳ “ንቡራት ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ከም መሳርሒ ፖለቲካዊ ዕላማታት ውሑዳት ጉጅለ ሃገራት ምዕራብ ምጥቃም ዘሕዝንን ዘዋርድን እዩ” ኢላ። ኣምባሳደር ቻይና ብተመሳሳሊ “ሰብኣዊ መሰላት ናብ ውሽጣዊ ጉዳይ ካልኦት ሃገራት ንምትእትታው ከም መሳርሒ ምጥቃም” ንዝግበር ምንቅስቓስ አጠንቂቑ። ብካልእ ዜና ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢራን ዝነበረ ወዲ 35 ዓመት ቮርያ ጋፎሪ፡ ንመንግስቲ ብምውቃስ ንተቓወምቲ ደጊፉ ብዝብል ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ተገሊጹ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c2lqv3n75xno"} {"headline":"ቀንዲ ፍጻመታት ዓለም 2022","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ድሕሪ እቲ ንኽልተ ዓመት ዘካየድዎ ደማዊ ኵናት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ዝኸተምዎ ስምምዕ ሰላም ሓደ ካብ ቀንዲ ፍጻመታት ዓለም 2022 ኰይኑ ተዳህሲሱ'ሎ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72325rv24eo"} {"headline":"ኢራን፡ ንመንግስቲ ዝተቓወሙ ኣርባዕተ ሰባት ንሞት ፈሪዳ","content":"ኣብ ኢራን ብሰንኪ እቱ ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣንጻር መንግስቲ ብዝተላዕለ ተቓውሞታት ብዝተሓሓዝ፡ \"ጽልኢ ኣንጻር ፈጣሪ\" ብዝብል ክሲ ኣርባዕተ ሰባት ንሞት ተፈሪዶም። ኣብ ቴህራን ዝርከብ ሰውራዊ ቤት ፍርዲ፡ ሓደ ካብቶም ስሞም ዘይተጠቕሱ \"ናዕበኛታት\" ንሓደ ፖሊስ ብመኪና ወቒዑ ከም ዝቐተሎ ሚዛን ዝተባህለት ማዕከን ዜና እቲ ቤት ፍርዲ ገሊጻ። እቲ ካልኣይ ካራን ሽጉጥን ስለ ዝነበሮ: እቲ ሳልሳይ ድማ መስመር ትራፊክ ዓጽዩ \"ናዕቢ\" ስለ ዝፈጠረ ብዝብል እዮም ተኸሲሶም። እቲ ራብዓይ ከኣ፡ ብካራ ሰብ ኣጥቂዑ ብዝብል ከምዝተኸሰ ማዕከን ዜና ሚዛን ትማሊ ሰሊስ ጸብጺባ። ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ነቲ ካብ ሰንበት ኣትሒዙ ንሓሙሽተ ሰባት ብሞት ዝቐጽዐ ፍርዲ ዘይፍትሓዊ ናይ ፍርዲ መስርሕ ዝፈጠሮ እዩ ክብሉ ኰኒኖምዎ። ሓላፊ እቲ ኣብ ኖርወይ ዝመደበሩ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኢራን፡ ማሕሙድ ኣሚር-ሞጋዳም  \"ተቓወምቲ፡ኣብ እዋን መስርሕ መርመራ ምስ ጠበቓታቶም ክራኸቡ ኣይፍቀደሎምን፤ ኣብ ርእሲኡ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስቅያት ይወርዶም። \"ብድሕሪኡ ከኣ ብመሰረት እቲ ኣብ እዋን ስቅያት ብዝሃቡዎ ናይ እምነትን ክሕደትን ቃሎም ይፍረዱ\" ክብል ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ። ኣጻራይ ሓቂ (ፋክት ቼክ) ኣብ ኢራን ኣስታት 15,000 ሰባት ንሞት ከም ዝተፈርዱ ሓቢሩ። ስለ ዝዀነ ኢራናውያን ተቓወምቲ ሓገዝ ወጻኢ ዓለም የቋምቱ። መራሕቲ ኢራን ብሃገራት ወጻኢ ዝተደፍአ \"ናዕቢ\" ክብሉ ኣብ ዝገገለጹዎ ክሲ  ብውሑዱ 348 ተቓወምቲ ከም እተቐትሉን 15,900 ካልኦትድማ ብሓይልታት ጸጥታ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉን ኣብ ወጻኢ ዝመደበሩ ሓራና (HRANA) ዝተባህለ ማዕከን ዜና ንተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሓቢሩ ። ብውሕዱ 15 እሱራት \"ጽልኢ ኣብ ኣምላኽ\" ከምኡውን \"ብልሽውና ኣብ ምድሪ\" ብዝብል ብሕጊ ሸሪዓ ኢራን ብሞት ዘቕጽዕ ምስ ጸጥታ ዝተሓሓዝ ክስታት ከም ዘጋጥሞም እዩ ዝእመን። እቲ ብደቂ ኣንስትዮ ዝተመርሐ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ማህሳ ኣሚን ዝተባህለት ጓል 22 ዓመት መንእሰይ ኣብ ልዕሊ ሕጃብ ንዝወጽአ ጽኑዕ ሕጊ ብምቅዋም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምሟታ እዩ ተላዒሉ ። እዚ ሓድሽ መምርሒ፡ ኣብቲ ትማሊ ሰሉስ ዝጀመረ ሓድሽ ዕግርግር ሸውዓተ ሰባት ምስ ተቐትሉ ብቤት ፍርዲ ዝተዋህበ'ዩ። እቶም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ነቲ ብ15 ሕዳር 2019 ዘጋጠመ ብተቓውሞ ወሰኽ ነዳዲ ዝተላዕለ ብዙሓት ሰባት ዝሞቱሉ ብ“ደማዊት ሕዳር” ዝፍለጥ ኣጋጣሚ ንምዝካር ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ክግብር ድሕሪ ምጽውዐኦም እዩ እቲ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ። ብሰሉስ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝወጸ ቪድዮታት ከም ዝሕብሮ ኣብ ቴህራንን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን ዝነብሩ ሰባት ኣንጻር ላዕለዋይ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ኾመይኒ፡ \"ሞት ንውልቀ መላኺ\" ዝብል ጭርሖታት የስምዑ ነይሮም ። ኣብቲ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ መደበር  ባቡር፡ ሰልፈኛታት ንመጎልበቡ ጸጒሩ እናቃጸሉ ኣያቶላህ ኾመይ \"ክወርድ ኣለዎ\" ዝብል ድምጺ እናስምዑ ነቲ ሕጃባት ብሓዊ ኣንዲዶምዎ ። ካብቲ መደበር ባቡር እተወስደ ካልእ ናይ ቪድዮ ክሊፕ ወተሃደራት ኣብተን ባጎኒታት ባቡር ኮይኖም ሰባት እናሃረሙን የርኢ። ኣብ ካልእ ሳልሳይ ቪድዮ ከኣ ሓይልታት ጸጥታ ተዂሲ ክኸፍቱን ሰባት ክወድቁን ክሃድሙን የርኢ። ብረቡዕ፡ ኩርዳውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝሓበሩዎ፡ ሓደ ተቓዋሚ ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኩርዲስታን እትርከብ ከተማ ካምያራን ሓደ ሰብ ብኣባላት ጸጥራ ብጥይት ተወቒዑ ከም ዝተቐትለ ሓቢሮም። ብሰሉስ ኣብ ጥቓ እቲ ብሓይልታት ጸጥታ እተቐትለ ሰብ ሓደ ካልእ  ሰብኣይ ደው ኢሉ ከም ዝነበረ ይንገር። ካልኦት ክልተ ሰብኡት እውን ኣብ ጥቓኦም ኣብ እትርከብ ከተማ ሰናንዳጅ ከም ዝተቐትሉ ጸብጺቦም። ኣብ ኖርወይ ዝመደበሩ ሄንጋው፡ ትማሊ ሰሉስ ተቓወምቲ ነታ ኣብ ምዕራብ ኣዘርባጃን እትርከብ ከተማ ቡካን ከም እተቘጻጸርዋ እውን ገሊጹ። ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ብረቡዕ ኣብ ዝዘርግሓኦ ጸብጻብ፡ \"ናዕበኛታት \"ንሓደ ኮሎኔል ሓዊስካ ኣብ ቡካን ካሚራን ንዝነበሩ ክልተ ኣባላት እስላማዊ ሰራዊት ((IRGC)) ብጥይት ከም ዝቐተልዎ ሓቢረን። እቲ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ሺራዝ ኣብ ዝርከብ ሞሎቶቭ ዝተባህለ ቦታ ብጥይት ምስ ተሃርመ ካህን ኣባል እቲ ብIRGC ዝፍለጥ ሓይሊ ምዃኑ ተገሊጹ። እቲ ተቓውሞ ካብ ዝጅምር ዛጊት 38 ኣባላት ጸጥታ እታ ሃገር ከም ዝሞቱ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን ኣለዋ። ሓራና ዝተባህለ ማዕከን ዜና ግን ብዝሒ ምውታት ናብ 43 ኣደይቡዎ ኣሎ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cp65e8r4zy5o"} {"headline":"ኢራን ንእስራኤል ሰሊሎም ዝበለቶም ኣርባዕተ ዜጋታታ ረሺና","content":"ኢራን ምስ ትካል ስለላ እስራኤል ርክብ ኣለዎም ተባሂሎም ዝተኸሰሱ ኣርባዕተ ሰባት ከም ዝረሸነት ተገሊፁ። ከም ሓበሬታ ማዕከን ዜና ሚዛን፡ እቲ ምስ “ስለላ እስራኤል ተሓባቢሮምን “ጭውያ” ፈፂሞምን ናይ ዝተበሃሉ ኣርባዕተ ሰባት መርሸንቲ ብሰንበት እዩ ተፈጺሙ። ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ኢራን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ግንበት ዝተኣሰሩ ኣርባዕተ ደቂተባዕትዮ፡ ብሞት ክቕጽዑ ብረቡዕ እዩ ብይን ኣሕሊፉ። እዚ መቕጻዕቲ ሞት ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ብዝቐፀለ ሰልፍታት ተቓውሞ ኣንጻር መንግስቲ፡ ኣብ ኢራን ሓያል ወጥሪ ሰፊንሉ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ ተፈጺሙ። ምስ ገበን ኣንጻር ድሕነት ሃገር፣ ኣብ ጭውያን ምውናን ኣጽዋርን ኢድ ኣሎዎም ዝተበሃሉ ካልኦት ሰለስተ ሰባት ድማ፡ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ዓሰርተ ዓመት ማእሰርቲ ከም ዝተፈረዱ ተገሊፁ። ኣብቲ ዞባ ቀንዲ መነሓንሕቲ ዝዀና ኢራንን እስራኤልን፡ ንነዊሕ እዋን ኣብ ዝቐጸለ ደበና ኵናት ተጸሚደን ይርከባ። ጭውያ ምፍጻም ዝብል ክሲ ካብ ዝቐረበሎም እቲ ሓደ፡ ነቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ማዕከናት ዜና እስራኤል ዝተቓልሐ ዛዕባ እዩ ዘመልክት፤ ኣብቲ ጸብጻብ ምስ ሓይልታት እስላማዊ ሰውራ ሕብረት ከምዘለዎ ዝገልፅ ሓደ ውልቀሰብ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣውሮጳ ንእስራኤላውያን ዲፕሎማሰኛታት ዒላማ ዝገብር ዝበሎ ሽርሒ ክዛረብ ተራእዩ ነይሩ። ማዕከናት ዜና ኢራን ብወገነን ነዚ ትረኻ'ዚ ብምንጻግ፡ እቲ ውልቀሰብ ኣብ 2021 [ኣ.ኣ] ብገበነኛታት ተጨውዩ ዝተወሰደን ብፍሉይ ነዞም ሓረጋት ክዛረብ ዝተገደደን ሓረስታይ ምዃኑ ኣቃሊሐን። ድሕሪ'ቲ 'ጉልባብኪ ብዝግባእ ኣይገበርክን' ተባሂላ ብኣካላት ፀጥታ ኢራን ተኣሲራ እንከላ ዝሞተት ኢራናዊት ጓልኣስተይቲ ዝሰዓበ ናዕቢ ኣንፃር መንግስቲ ብምስዋር፡ ኢራን ካብ እትኸሰን ሃገራት ሓንቲ እስራኤል እያ። ነዞም ኣብ ጐደናታት ኢራን ዝተኻየዱ ሰልፍታት ተቓውሞ ስዒቡ፡ ቤት-ፍርዲ እታ ሃገር ሽድሽተ ሰባት ፍርዲ ሞት ከም ዝተበየነሎም ዝገለፀ ኰይኑ፡ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ግን ኣብዚ እዋን ብውሑዱ 21 ሰባት ብማሕነቕቲ ብዘቕጽዑ ገበናት ተኸሲሶም ከምዝርከቡ ኣፍሊጡ። ኢራን ኣብዚ እዋን ብዘይካ ቻይና፡ ልዕሊ ዝዀነት ሃገር በብዓመቱ ሰባት ብምርሻን ዝወዳደራ ከምዘየለ ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልፁ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኢራን፡ እቲ ዝጸንሐ ሓይሊ 'ፖሊስ ስነምግባር' ከም እትደስክል ኣኽባሪ ሕጊ እታ ሃገር ኣፍሊጡ። እዚ ሓይሊ ፖሊስ፡ ደቂኣንስትዮ እታ ሃገር እስላማዊ ኣከዳድና ከም ዝተኸደና ዝቈጻጸር እዩ። ዓቃቢ ሕጊ እታ መሓመድ ጃዕፈር መንተዝሪ ስነ-ምግባር ዝቈጻጸሩ ፖሊስ ካብ ስራሕ ይእለዩ ከምዘለዉ’ኳ እንተፍለጠ፡ ሰብመዚ እታ ሃገር ግን ነዚ ኣየረጋገጹን። ፖሊስ ስነ-ምግባር ይእለዩ ከምዘለዉ ዝሓበረ እቲ ኣኽባሪ ሕጊ፡ እቲ ፖሊስ ምስ ሚኒስትሪ ፍትሒ ዘራኽብ ከምዘይብሉን፡  ተሓታትነቱ ንሚኒስትሪ ውሽጢ ጉዳያት ከምዝዀነን ተዛሪቡ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1vww6261wo"} {"headline":"ዋንጫ ዓለም 2022፡ ሃገራዊ መዝሙሮም ካብ ምዝማር ዝሓንገዱ ተጻወትቲ ኢራን","content":"ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኢራን፡ ትማሊ ሰኑይ ኣንጻር እንግሊዝ ኣብ ዝነበሮም ቀዳማይ ናይ ምድብ ጸወታ፡ ነቲ ኣብ ሃገሮም ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ኣንጻር መንግስቲ ዘለዎም ደገፍ ንምርኣይ፡ ቅድሚ ጸወታ ሃገራዊ መዝሙር ሃገሮም ካብ ምዝማር ሓንጊዶም። ሃገራዊ መዝሙር ኢራን ምስ ተወለዐ፡ ገለ ኢራናውያን ተዓዘብቲ፡ “ደቂ ኣንስትዮ፡ ህይወት፡ ናጽነት” ብምባል ብዓውታ ኣድሚጾም። ነቲ ውድድር ብቐጥታ ከተመሓላልፈ ዝጀመረት መንግስታዊት ተለቪዥን ኢራን፡ ኢራናውያን ተጻወትቲ ሃገራዊ መዝሙር ኢራን ምዝማር ምስ ኣበዩ፡ ነቲ ካብ ስታድዮም ዝመሓላለፍ ዝነበረ ቀጥታዊ ፈነወ ደው ብምባል፡ ነቲ ስታድዮም ካብ ላዕሊ ዘርኢ ኣቐዲሙ ዝተሳእለ ስእሊ ከተርኢ ጀሚራ። ኣብ ኢራን ካብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ጀሚሩ ኣንጻር መንግስቲ ዘቕንዐ ብርቱዕ ህዝባዊ ተቓውሞታት ይካየድ ምህላዉ ይፍለጥ። እቲ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት፡ ማህሳ ኣማኒ ዝተበሃለት ጓል 22 ዓመት ኢራናዊት፡ ጸጕርኺ ዘይሸፈንኪ ተባሂላ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከላ ድሕሪ ምማታ’ዩ ተላዒሉ። ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ድሕሪ ሞት ማህሳ ኣማኒ ብዝሰዓበ ተቓውሞታት፡ ብትካላት ጸጥታ ኢራን ልዕሊ 400 ሰባት ከምዝተቐተሉን ኣስታት 16,800 ሰባት ከምዝተኣሰሩን ይሕብሩ። ሰብ መዚ ኢራን ብወገኖም፡ እቲ ተቓውሞታት ጸላእቲ ኢራን ብዝዀና ሃገራት ይሳወር ምህላዉ’ዮም ዝገልጹ። እቶም ኣብ ውሽጢ ስታድዮም ዝነበሩ ኢራናውያን፡ ስም ናይቲ ንመንግስቲ ኢራን ብምቕዋም ዝፍለጥ ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ኢራን ዝነበረ ዓሊ ከሪሚ ብዓውታ ብምጽዋዕ ሕጂ’ውን ከምዝዝክርዎ ይገልጹ ነይሮም። ሓያለ ንእስላማዊ ሪፓብሊክ ኢራን ዝቃወሙ ሰባት፡ እቶም ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኢራን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ፕረዚደንት ኢብራሂም ራይሲ ምርኻቦምን ኣቐዲሞም ንምንታይ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት ዘለዎም ደገፍ ብግሉጽ ዘየርኣዩን ብምባል ክነቕፍዎም ተሰሚዖም። ቅድሚ ምጅማር እቲ ጸወታ፡ ሓለቓ ጋንታ ኢራን ኢህሳም ሓጅሳፊ ኵሎም ተጻወትቲ ነቶም ዝሞቱ “ደገፍ” ከም ዘለዎም ገሊጹ። ኣሰልጣኒ እታ ሃገራዊት ጋንታ ካርሎስ ቔሮዝ ብወገኑ፡ ተጻወትቲ “ንድላዮም ክድግፉ ነጻ እዮም” ብምባል፡ ነቲ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ምቅዋሞም ንሕጋጋት ዋንጫ ዓለም ዝጻረር ከምዘይኰነ ገሊጹ። ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኢራን ኣብ መስከረም ንዋንጫ ዓለም ንምድላው ኣብ ዘካይድዎ ዝነበሩ ምሕዝነታዊ ጸወታታት፡ ነታ ኣብ ማልያኦም ትግበር ምልክት ኢራን ሸፊኖማ ከምዝነበሩ ዝዝከር’ዩ። ኣብ ምድብ ክልተ ምስ እንግሊዝ፡ ዌልስ፡ ኣሜሪካን ተመዲባ ዘላ ኢራን፡ ትማሊ ኣብ ዘካየደቶ ቀዳማይ ናይ ምድብ ጸወታ ብዓዲ እንግሊዝ 6 ን 2 ተሳዒራ’ያ። በዚ መሰረት እንግሊዝ ነቲ ምድብ ብሰለስት ነጥቢ ሽዱሽተ ጸብለልታ ሽቶ ክትመርሖ እንከላ፡ ኢራን ብዘይ ነጥቢ ብኣርባዕተ ሸቶ ዕዳ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ፡ እተን 1ብ 1 ማዕረ ዝተፈላለያ ኣሜሪካን ዌልስን ከኣ፡ ነፍሲ ወከፈን ሓሓደ ነጥቢ ብምውህላል ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ተሰሪዐን ኣለዋ። ፖርቱጋላዊ ኣሰልጣኒ እታ ሃገራዊት ጋንታ ካርሎስ፡ ጠንቂ ስዕረት እታ ሃገራዊት ጋንታ፡ እቲ ኣብ ኢራን ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት ምዃኑ ድሕሪ ጸወታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። እቲ ኣሰልጣኒ፡ እቶም ተጻወትቲ ብደገፍቶም ክቱር ጸቅጢ ይግበረሎም ከምዝነበረ ብምሕባር “ናብ ዋንጫ ዓለም መጺእካ ብቐጥታ ንዕኦም ዘይምልከቶም ነገራት ክገብሩ ጸቕጢ ምግባር ቅኑዕ ኣይኰነን። ንሶም [እቶም ተጻወትቲ] ንህዝቦም ሓበንን ሓጐስን ከምጽኡ’ዮም ናብዚ መጺኦም” ኢሉ። ነቲ መደብ ብቐጥታ ዘመሓላልፍ ዝነበረ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ጋሪ ሊንከር፡ 45 ደቓይቕ ተወዲኡ ተጻወትቲ ናብ ዕረፍቲ ምስ ኣምርሑ፡ ነቲ ኢራናውያን ሃገራዊ መዝሙሮም ዘይምዝማሮም ኣመልኪቱ ርእይቶ ኣብ ዝህበሉ ዝነበረ እዋን፡ “ኣዝዩ ሓያልን ወሳንን ምልክት’ዩ፡ ሓይሊ ኵዕሶ እግሪ ንሰናይ ዝዀነ ነገር ክውዕል ይፍተን ኣሎ፡” ኢሉ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c2x1gxl23vpo"} {"headline":"ኣብ ኢራን ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ መን’ዩ?","content":"ሓይልታት ጸጥታ ኢራን፡ ነቲ ሓንቲ ኢራናዊት ኣብ ቀይዲ ፖሊስ እንከላ ምማታ ስዒቡ ኣብታ ሃገር ተጓሃሂሩ ዘሎ ተቓውሞታት ንምህዳእ ጐነጽ ይጥቀሙ ከምዘለው ይግለጽ ኣሎ። ጓል 22 ዓመት ማሻ ኣሚኒ፡ ርእስኺ ብግቡእ ብሕጃብ ኣይተጎልበብክን ብዝብል እዩ ብኣባላት ፖሊስ ስነምግባር ኣብ ቀይዲ ዝኣተወት። ኣብ መላእ እታ ሃገር ተቓውሞታት ካብ ዝተላዕለሉ፡ ብውሕዱ 150 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ። ግን፡ ተቓውሞታት ንምጭፍላቕ መዓስ ሓይሊ ክትጥቀም ከምዘለካ ዝውስን መን እዩ? ኣብ ኢራን፡ ካብ 1989 ኣትሒዙ እቲ ዝለዓለ በዓል ስልጣን፡ ላዕለዋይ መራሒ እታ ሃገር፡ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመይኒ እዩ። ንሱ መራሒ መንግስትን ዋና ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገርን ኰይኑ፡ ሃገራዊ ፖሊስን ስነ-ምግባራዊ ፖሊስን እውን ኣብ ትሕቲ ስልጣኑ እዮም። ኣያቶላህ ኻመይኒ፡ ኣዛዚ ናይቲ ሓላፍነት ውሽጣዊ ጸጥታ ኢራን ዘለዎ ኣሃዱ ንእስላማዊ ሓለዋ ሰውራ፡ ከምኡ’ውን ሓይልታት ተቓውሞ ባሲጅ እዩ። ባሲጅ ኣብ ኢራን ንዝተርኣየ ተቓውሞታት ብምጭፍላቕ ኣብ ቅድሚት ዝጥቀስ ኣሃዱ እዩ። ስለዚ ኻመይኒ፡ ተቓውሞታት ብኸመይ ክተሓዙ ከምዘለዎም ዝውስን ዝለዓለ በዓልስልጣን እዩ። ፕረዚደንት ኢብራሂም ራይሲ እቲ ዝለዓለ ብህዝቢ ዝተመረጸ በዓል ስልጣን ኰይኑ ካብቲ ላዕለዋይ መራሒ ቀጺሉ፡ ዝዓበየ ስልጣን ዘለዎ እዩ። ንሱ መዓልታዊ ንጥፈታት መንግስቲ ክመርሕ እንከሎ፡ ኣብ ፖሊሲታት ውሽጣውን ወጻእን ጉዳያት ዓቢይ ጽልዋ ኣለዎ። እንተዀነ፡ ብፍላይ ምስ ጸጥታ ኣብ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ዘለዎ ሓይሊ ብተዛማዲ ድሩት እዩ። እቲ ንተቓውሞታት ብሓይሊ ዝጭፍልቕ ዘሎ ሃገራዊ ሓይሊ ፖሊስ፡ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት'ኳ እንተዀነ፡ ኣዛዚ እቲ ኣሃዱ ብላዕለዋይ መራሒ ዝምረጽ ኰይኑ ተጸዋዕነቱ’ውን ብቐጥታ ናብኡ እዩ። እዚ ኣሰራርሓ ኣብ ኣሃዱታት እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ከምኡ’ውን ባሲጅ ተመሳሳሊ እዩ። እቲ ላዕለዋይ መራሒ፡ ዝዀነ ተቓውሞ ብሓይሊ ክጭፍለቕ እንተደልዩ፡ ፕረዚደንት ተቓዊሙ ደው ከብሎ ኣይክእልን እዩ። ስልጣን እቲ ፕረዚደንት፡ በቲ ሓደስቲ ሕግታት ዘተኣታቱ፡ ፓርላማ’ውን ምቍጽጻር ክግበረሉ ይኽእል እዩ። እቲ ምስ ላዕለዋይ መራሒ ቅርበት ዘለዎም ኣባላት ዝርከቡሉ ቤት ምኽሪ ሞግዚት ግን ሓደስቲ ሕግታት ናይ ምጽዳቕን ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓርን ስልጣን ኣለዎ። እቶም ብ ‘ሓለውቲ ሞግዚት’ እውን ዝፍለጡ ሞራላዊ ፖሊስ ኣካል እቲ ሃገራዊ ፖሊስ እዮም። እቲ ሓይሊ ኣብ 2005 ዝተመስረተ ኰይኑ፡ ነቶም ድሕሪ እስላማዊ ሰውራ ኢራን 1979 ዝተኣታተው፡ ን “ግቡእ” ኣከዳድና ዝምልከቱ እስላማዊ ስነ-ምግባርን ሕጋጋትን ንምዕቃብ ዝዓለመ እዩ። ኣስታት 7000 ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣባላት ከምዘለዎን፡ ንጥርጡራት ከጠንቅቕ፡ ክቐጽዕ ወይ ክኣስር ስልጣን ኣለዎ። ተሪሪ መርገጺ ዘለዎ ፕረዚደንት ራይሲ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ደቂ ኣንስትዮ ሕጃብ ክገብራ ዘገድዱ ብርክት ዝበሉ ሓደስቲ ስጕምትታት ወሲዱ እዩ። ዘይተጐልበባ ደቂ ኣንስትዮ ንምልላይ፡ መከታተሊ ካሜራታት ክትከል እንከሎ፡ ነቶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንሕግታት ሒጃብ ዝጥሕሱ ሰባት ብማእሰርቲ ዝቐጽዕ ሕጊ ተኣታትዩ። ኣሃዱ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ እታ ሃገር ንእስላማዊ ስርዓት ንምዕቃብ ድሕሪ ዝገበረቶ ሰውራ ዝቘመ፡ ንምዕቃብ ውሽጣዊ ጸጥታ ብዝምልከት ቀንዲ ተጸዋዒ ትካል እዩ። ኣሃዱ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኣብ ኢራን ዝዓበየ ወተሃደራዊ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ሓይሊ ኰይኑ ልዕሊ 150 ሽሕ ዓቕሚ ሰብ ኣለዎ። ናይ ገዛእ ርእሱ ሓይልታት ምድሪ፡ ባሕሪን ኣየርን ክህልዎ እንከሎ፡ ንስትራተጂያዊ ኣጽዋር ኢራን ይቈጻጸር። ኣብ ሃገራት ወጻኢ ዝነጥፍ ‘ሓይሊ ኩድስ’ ዝጽዋዕ ኣሃዱ ክህልዎ እንከሎ፡ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ንዝርከቡ መሻርኽቲ ብሕቡእ ገንዘብ፡ ኣጽዋር፡ ቴክኖሎጅን ስልጠናን ይህብ። ንሓይልታት ተቓውሞ ባሲጅ እውን ይቈጻጸር። ቅድም ብትካል ምልዕዓል ጭቁናት ብዝብል መጸውዒ ዝፍለጥ ዝነበረ፡ ሓይልታት ተቓውሞ ባሲጅ፡ ከም ወተሃደራዊ ኣሃዱ ወለንተኛታት ኣብ 1979 ዝተመስረተ እዩ። ኣብ ኵለን ዞባታትን ከተማታትን ኢራን ኣብ መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈት ጨናፍር ኣለዎ። እቶም ‘ባሲጂስ’ ተባሂሎም ዝጽውዑ፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣባላቱ፡ ነቲ ሰውራ እሙናት እዮም። ከባቢ 100,000 ዝዀኑ ባሲጂስ ኣብ ምሕላው ውሽጣዊ ጸጥታ ተዋፊሮም ይርከቡ። እቲ ኣሃዱ፡ ካብቲ ኣብ 2009 ዝተኻየደ ኣካታዒ ፕረዚደንታዊ መረጻ ጀሚሩ፡ ጸረ-መንግስቲ ንዝዀነ ተቓውሞታት ኣብ ምጭፍላቕ ብቐንዱ ክነጥፍ ጸኒሑ ኣሎ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c51r5nkj9dlo"} {"headline":"ኢራን፡ መንግስታዊ ተሌቭዥን ብተቓወምቲ ተጠሊፋ","content":"መንግስታዊ ተለቪዥን ኢራን ትማሊ ቀዳም ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ በቶም ንመራሒ ‘ታ ሃገር ዝቃወሙ ዘለው ኣድመኛታት ተጠሊፋ። መሸፈኒ ገጽ - ማስክ ኣብቲ ስክሪን ተለቪዥን ድሕሪ ምርኣዩ፡ ምስሊ ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ዓሊ ኻመይኒ ኣብ ዙርያኡ ሃልሃልታ ተገይርዎ ተራእዩ። እቲ ጕጅለ ንነብሱ፡ \"ዓዳላት ዓሊ\"፡ ወይ 'ፍትሒ ዓሊ' ኢሉ ሰምዩ’ሎ። [ዓሊ፡ ኣመንቲ ሺዓ እስላም ድሕሪ ነቢይ መሓመድ ኣብሊጾም ንዝርእይዎ ሓደ ካብ ቀዳሞት መራሕቲ እስልምና ንምምልካት እዩ።] እዚ ፍጻመ’ዚ፡ ብሰንኪ ሞት ማሕሳ ኣሚኒ ድሕሪ ዝትፈጥረ ዕግርግር ኣብታ ሃገር፡ ኣብ ሓድሽ ናዕቢ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ብምግጫው ብውሕዱ ሰለስተ ሰባት ብጥይት ድሕሪ ምቕታሎም ዝሰዓበ እዩ። ኣሚኒ ጸጕራ ብግቡእ ኣይተጐልበበትን ብዝብል ክሲ ኣብ ቴህራን ብፖሊስ ስነምግባር ተኣሲራ ምንባራ ዝዝከር ኰይኑ፡ እታ 22 ዝዕድመኣ ኢራናዊት ኩርዳዊት ጐርዞ፡ ድሕሪ ማእሰርታ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ፡ ብ16 መስከረም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ምማታ ይፍለጥ። ሞታ፡ ኣብ መላእ ሃገር ትጽቢት ዘይትነብሮ ማዕበል ተቓውሞ ቀስቂሱ’ሎ። እቲ ቀዳም ዝተኻየደ ጠለፋ ተሌቪዥን ኢራን፡ ኣስታት ሰዓት 21፡00 ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር ዝተገብረ ኰይኑ፡ ንላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣብ ርእሱ ዒላማ ዝገበረን፡ ስእልታት ኣሚኒን ካልኦት ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞታት ዝተቐትላ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮን ዘጠቓለለ ስእሊ ዘርኣየ እዩ ነይሩ። ሓደ ካብቲ ዝተራእየ እግረ ጽሑፍ፡ \"ተጸንበሩና ተንስኡ!\" ዝብል ክኸውን እከሎ፡ ካልእ ድማ \"ደም መንእሰያትና ካብ ከብዲ እግርኹም ይነጥብ ኣሎ!\" ዝብል ይንበቦ ነይሩ። እቲ ምቍራጽ መደብ ተሌቪዥን፡ ንገለ ሒደት ካልኢታት ጥራይ እዩ ጸኒሑ። ከምዚ ዓይነት ናዕቢ ኣንጻር ኣያቱላህ ዓሊ ኻመይኒ፡ ኣብ ታሪኽ ኢራን ዳርጋ ተራእዩ ኣይፈልጥን። ንሱ ኣብ ኢራን ዳርጋ ምሉእ ስልጣን ዘለዎ መራሒ እዩ። ድሕሪ ሞት ኣሚኒ ግን ኣንጻሩ ቅሉዕ ተቓውሞ ክጕህር ይርአ’ሎ። ብተወሳኺ ብቐዳም፡ ኣብ ሓደ ዩኒቨርሲቲ ቴህራን ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ተመሃሮ፡ ፕረዚደንት ኢብራሂም ራይሲ ኣብ ዝገበሮ ዑደት፡ “ኪድ ውጻእ!” እናበላ ክሸዳኦ ዘርኢ ቪድዮታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ’ሎ። ኣቐዲሙ ኣብ ከተማ ሳንዳንጅ ክልተ ሰባት ተቐቲሎም ነይሮም፤ ሓደ ሰብኣይ ኣድመኛታት ንምድጋፍ ጥሩምባ መኪናኡ ድሕሪ ምንፍሑ፡ ብጥይት ተሃሪሙ። ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ከም ዘርእዮ፡ ኣብ ማሽሃድ ኣብ ክሳዳ ዝተወቕዐት ሰበይቲ'ውን፡ ሃለዋታ ኣጥፊኣ ኣብ ጽርግያ ተደርብያ ትርአ። ኣብ ሳናንዳጅ፡ ሓደ በዓል ስልጣን ፖሊስ፡ ሓደ ሰብ ብ\"ጸረ-ሰውራ\" ተቐቲሉ ክብል ንኣገልግሎት ዜና ኢርና ኣመልኪቱ። ብዓርቢ፡ ትካል ‘ፎረንሲክ’ መድሃኒት ኢራን፡ ንሞት ኣሚኒ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንሳ ከምቲ ስድራቤታን ሰልፈኛታትን ዝምጕትዎ ኣብ ርእሳ ብዘጋጠመ መውቃዕቲ ዘይኰነስ፡ ብሰንኪ ምጉዳል ኦክስጅን ሓንጐል ብዝተፈጥረ ፍሽለት ኣካላት ምዃኑ ገሊጹ። ጕጅለ ተጣበቕቲ መሰላት ከም ዝገልጽዎ፡ ኣብቲ ካብ 17 መስከረም ዝጀመረ ናዕቢ ኢራን፡ ልዕሊ 150 ሰባት ተቐቲሎም ኣለው። ኣብ ሓያሎ ከተማታት ዝርከባ ትካላት ንግዲ ነቲ ኣድማ ንምድጋፍ ተዓጽየን ኣለዋ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c98wlyvnq8eo"} {"headline":"ኢራን፡ ምስ ተቓውሞታት ብዝተሓሓዝ ብሞት ዝተቐጽዐ ሞሕሰን ሸካሪ","content":"ኢራን ንሓደ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣንጻር መንግስቲ ኣብ ዝተኻየደ ናዕብታት ብምስታፉ ዝተኸሰሰ ዜጋ እታ ሃገር ብሞት ቀጺዓ። ሞሕሰን ሸካሪ፡ ሓሙስ ንጉሆ ብማሕነቕቲ ከምዝተቐተለ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሓቢሩ። ሰውራዊ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፡ \"ሞሃረበህ\" (ኣንጻር ኣምላኽ ጽልኢ) ፈጺሙ ብዝብል ክሲ ገበነኛ ኮይኑ ብምርካቡ'ዩ ንሞት ፈሪድዎ ነይሩ። ሞሕሰን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ንሓደ ካብ ቀንዲ ጎደናታት ርእሰ ከተማ ጣህራን ከምዝዕጾ ዝገበረን ብጎዞማ ሓደ ኣባል ጸጥታ ዘቑሰለን \"ናዕበኛ\" ዝብል ክሲ'ውን ቀሪብሉ ነይሩ። \"ንራኣዩለይ ኣብ ዝተኻየደ ዘይግቡእ ፍርዲ\" እዩ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ ክብል ሓደ ኢራናዊ ተሓላቒ ተቓውምኡ ገሊጹ። \"ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ መርሸንቲ ቅልጡፍን ሓያልን ግብረመልሲ ክህበሉ ኣለዎም\" ክብል ዳይረክተር ናይቲ ኣብ ኖርወይ ዝመደበሩ ሰብኣዊ መሰላት ኢራን ዝተባህለ ጉጅለ ማሕሙድ ኣሚሪ-ሞጋዳም ጸዊዑ። \"መርሸንቲ ሞሕሰን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዕቱብ ሳዕቤን እንተ ዘይኣብጺሑ፡ ጃምላዊ መርሸንቲ ናዕበኛታት ከጋጥም'ዩ\" ሚዛን ዝተባህለ ማዕከን ዜና ክፍሊ ፍትሒ እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሞሕሰን ሸካሪ፡ ኣብ ዝሓለፈ 25 መስከረም ንጎደና ሳታር ካሃን ከምዝዓጸወን፡ ንሓደ ኣባል ባሲጅ ዝተባህለ ሓይሊ ጸጥታ ብጎዞሞ ክሃርም ፈቲኑ ዝብል ክሲ ነቲ ሰውራዊ ቤት ፍርዲ ቀሪብሉ። ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር ድማ ብረት ብምውጥዋጥ \"ክቐትል፡ ግብረሽበራ ከስዕብን ጸጥታ ሕብረተሰብ ዘሪጉን\" ብዝብል በቲ ቤት ፍርዲ ናይ ሞት ፍርዲ ተወሲኑሉ። ይግባይ ኢሉ'ኳ እንተነበረ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብ20 ሕዳር እቲ ቀዳማይ ፍርዲ ክጸንዕ ብምውሳኑ ኣይሰለጦን። ተሓላቒ ሰባዊ መሰላት ኢራን ከምዝብሎ፡ ሞሕሰን \"ኣብ ዝምርመረሉ ዝነበረ እዋንን [ፍርዳዊ] መስርሕን ምስ ጠበቓኡ ከይራኸብ ተሓሪሙ\"። እቲ ዓቃባዊ ኣገልግሎት ዜና ፋርስ'ውን ሰዓታት ቅድሚ ምርሻኑ \"ግዱድ ኑዛዘ\" ኣቃሊሓ ነይሩ። ኣብቲ ዝተቓልሐ ቪድዮ፡ ኣብ ምዕጉርቱ ጎርጺ ይርአ። ሰውራዊ ኣብያተ-ፍርዲ እታ ሃገር ንካልኦት 10 ሰባት'ውን ምስቲ ናዕቢ ብዝተሓሓዝ ተመሳሳሊ ክስታት \"ጽልኢ ኣንጻር ኣምላኽ\" ወይ \"ብልሽውና ኣብ ምድሪ\" ንሞት ተፈሪዶም ምህላዎም ሰብመዚ ኣፍሊጦም። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ከምዝብሎ፡ እቲ ፍርዲ፡ \"ነቲ ህዝባዊ ምልዕዓል ንምጭፍላቕ\" ከምኡ'ውን \"ኣብ ህዝቢ ራዕዲ ንምፍጣርን\" ዝዓለመ'ዩ። ሰውራዊ ኣብያተ-ፍርዲ ብጽልዋ ሓይልታት ጸጥታን ስለያን ነቲ \"ዘይርትዓዊ ፍርድታት\" ይህቡ ከምዘለዉ'ውን ኣምነስቲ ይኸስስ። ሓላፊ ፍትሒ እታ ሃገር፡ ጎላምሑሴን ሞሕሰኒ ኢጀይ፡ \"ንቀንዲ ባእታታት ናይዚ ናዕቢ ዘየድሊ ምድንጋጽ ገዲፎም ተሪር ፍርዲ ወስኑሎም\" ክብል ንዳያኑ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ። ዝበዝሑ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር'ውን ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣንጻር እታ ሃገር \"ኲናት ዝኣወጁ\" ዝበልዎም ናዕበኛታት \"ወሳኒ ስጉምቲ\" ክውሰድ ክጽውዑ ጸኒሖም። ሓላፊ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ተርክ፡ ኣብ ኢራን እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ናይ ሞት ፍርዲ \"ዘሰንብድ\" ምዃኑ ይገልጽ። ድሕሪ 2017፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ጥራይ ልዕሊ 400 ብሞት ከምዝተቐጽዑ ጸብጻባት ይሕብሩ። እቲ ናዕብታት፡ መጎልበቢ ኣይገበረትን ብዝብል ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ጓል 22 ዓመት ማህሳ ኣሚኒ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምማታ ዝተወልዐ'ዩ። እቲ ናዕቢ ካብ ርእሰከተማ ጣህራን ሓሊፉ ናብ 160 ከተማታትን 31 ኣውራጃታትን ልሒሙ። እዚ ድማ ድሕሪ'ቲ እስላማዊ ስርዓት ዝተኸለ ናይ 1979 ሰውራ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ'ሎ። ሰብመዚ ግን፡ እቲ ናዕቢ ብወጻእተኛታት ዝድገፍ \"ምልዕዓል\" ምዃኑ'ዮም ዝምጉቱ። ዝበዝሕ እቲ ተቓውሞታት ግን ዘይጎነጻውን ሰላማውን'ዩ ነይሩ። ፕረዚደንት ኢራን ነበር መሓመድ ካታሚ ግን፡ ነቶም ንመሰላት ደቂኣንሰትዮ ንምጥባቕ ተቓውሞታቶም ዘስምዑ ዜጋታት ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ'ሎ። እቲ ወዲ 79 ዓመት ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ ዘይልሙድ መግለጺ፡ ሰብመዚ እታ ሃገር \"ግዜ ከይቀደሞም\" ንጠለባት እቶም ናዕበኛታት ክቕበሉ ተማሕጺ። ሓይልታት ጸጥታ ንዝወስድዎ ዘለዉ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ድማ ነቒፉ። ነቲ \"ጓልኣንስተይቲ፡ ህይወት፡ ናጽነት\" ጭርሖ ናይቲ ህዝባዊ ተቓውሞታት ድማ፡ ሕብረተሰብ ኢራን ናብ ብሩህ መጻኢ ገጹ ይጓዓዝ ከምዘሎ ዘርኢ \"ጽቡቕ ጭርሖ'ዩ\" ክብል ገሊጽዎ። እቲ ካብ 1997 ክሳብ 2005 ንክልተ እብረ ነታ ሃገር ዝመርሓ ጸጋናይ ካታሚ፡ \"ናጽነትን ጸጥታን ንሓድሕዶም ከምዝጻረሩ ጌርካ ምቕራብ ክፍቀድ የብሉን\" ብምባል ብስም ምስፋን ጸጥታ ናጽነታት ምርጋጽ ወይ ምእንቲ ናጽነት ጸጥታ ዕሽሽ ክብሃል ቅኑዕ ኣይኮነን ኢሉ። ዛጊት ብውሕዱ 475 ሰባት ኣብቲ ተቓውሞታት ብሓይልታት ጸጥታ ተቐቲሎም ኣለዉ። ልዕሊ 18,240 ኸኣ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ጸብጻባት ይሕብሩ። ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኢራን ግን፡ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ዝርከብዎም ልዕሊ 200 ከምዝተቐትሉ ገሊጹ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cjq7nkp7791o"} {"headline":"ኢራን ድሮናት ናብ ኢትዮጵያ ከምዝለኣኸት ኣሜሪካ ኣፍሊጣ","content":"ኢራን ሞሃጀር-6 ዝበሃላ ዓይነታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮናት) ናብ ኢትዮጵያ ከምዝለኣኸት ኣሜሪካ ኣቃሊዓ። ምክትል ወሃቢ ቓል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ትማሊ ሰሉስ 8 ጥቅምቲ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ቅድሚ ሓደ ዓመት ድሮናት ኲናት ናብ ኢትዮጵያ ከምዝለኣኸት ሓቢሩ። ወሃቢ ቃል ቬዳንተ ፓቴል ከምዝበሎ፡ ኢራን ብዘይካ ናብ ኢትዮጵያ ናብታ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ዝፈጸመት ሩስያ እውን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሰዲዳ እያ። \"ኢራን ንውሳነ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ቁፅሪ - 2231 ብምጥሓስ’ያ ናብ ክልቲአን ሃገራት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሰዲዳ ዘላ\" ኢሉ። ኢራን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኲናት ናብ ሩስያ ምልኣኻ ኣሜሪካ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘፍለጠት እቲ ምኽትል ወሃቢ ቃል ወሲኹ ተዛሪቡ። ብመሰረት እቲ ውሳነ፡ ኢራን ኣቐዲማ ፍቓድ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት እንተዘይረኺባ፡ ፍርያት ቴክኖሎጂ፣ እታወታትን ንዋትን ናብ ካልኦት ሃገራት ክተሰጋግር ከምዘይትኽእል’ውን ኣብሪሁ። ብተወሳኺ ድማ ሓደ ካብ ኣፍረይቲ እተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝኾነ ‘ኮድስ ኣቬሽን’ ብመሰረት እቲ ውሳነ ንብረቱ ከይንቀሳቐስ ከምዝተኣገደ እቲ ወሃቢ ቃል ገሊፁ። ቬዳንተ ፓቴል፡ \"ኩለን ሃገራት ንብረት ናይዚ ኩባንያ ከይንቀሳቐስ ክዓግታ ይግባእ\" ኢሉ’ሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ዝውዕላ ብኢራን፣ ቱርኪን ቻይናን ዝስርሓ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝተጠቕመ ዘመልክቱ ብዙሓት ጸብጻባት ክወፅኡ ጸኒሖም’ዮም። ቢቢሲ ኣብዚ ኲናት ኣየኖት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ንኣየናይ ወተሃደራዊ ተልእኾ የገልግላ ከምዘለዋ ከረጋግጽ እኳ እንተዘይከኣለ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ግን ድሮናት ኣብዚ ኲናት ንረብሓ ይውዕላ ምህላወን ኣመልኪቱ ነይሩ። ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር ሜጀር ጀነራል ይልማ መርዳሳ እውን ኣብ ወርሒ ሕዳር 2013 ኣቆፃፅራ ግእዝ፡ ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን [ኢቢሲ] ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ ኢትዮጵያ ኣብዚ ኲናት ድሮናት ከምዝተጠቐመት ኣረጋጊፁ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣየኖት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ይጥቀም ከምዘሎ ኣይገለጸን። ‘ሞሃጀር-6’ ብዝብል ዝፍለጣ ድሮናት ኣብ ተልእኾታት ስለላ፣ ዳህሳስን መጥቃዕትን ዕውት ዝኾነ ኣፈጻጽማ ዘለወን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝኾና ይግለፅ። ምክትል ወሃቢ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ከምዝበሎ፡ ብኮድስ ኣቬሽን ዝፈርያ ሞሃጀር-6 ክሳብ 300 ኪሎ ሜትር ዝበጽሕ ርሕቐት ናይ ምሽፋን ዓቕሚ ኣለወን። ክሳብ 40 ኪሎ ግራም ክብደት ተሰኪመን ኣብ 18 ሽሕ ጫማ (ኣስታት 5.5 ኪሎ ሜትሮ) ብራኸ ን12 ሰዓታት ኣብ ኣየር ክፀንሓ ይኽእላ። ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ካብ ሞንጎ ትጥቀመለን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብቱርኪ እትፈርይ ‘ባይራክታር ቲቢ-2’ ትርከበን። እዛ ‘ብባይካር ዲፈንስ’ እትፈርይ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ክሳብ 150 ኪሎ ግራም ክብደት ተሰኪማ ክትበርር ትኽእል ኮይና ክሳብ ኣብ ናይ 300 ኪ.ሜ ርሕቐት ኮይንካ ክትቆጻጸራ ትኽእል። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ኣፍራዪ ዝርከብ መረዳእታ ከምዘመልክቶ፡ ክንፋ 12 ሜትሮ፤ ቁመታ (ብራኽኣ) 2.2 ሜትሮ፤ ንውሓታ 6.5 ሜትሮ ክኸውን ከሎ 300 ሊትሮ ነዳዲ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ኣለዋ። እዛ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ብዘይ ቁጽጽር ሰብ ባዕላ ክትብገስን ክትዓልብን ትኽእል ኮይና፡ ካብ 18 ​​ሽሕ ክሳብ 27 ሽሕ ጫማ [ 5.5 ክሳብ 8.2 ኪ.ሜ] ብራኸ ኮይና ልኡኽቶኣ ክትፍጽም ትኽእል እያ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c25zej5n21qo"} {"headline":"ቱርኪ፡ ናብ ሶርያ መጥቃዕቲ ኣጋር ክትፍኑ ምዃና ኣፍሊጣ","content":"ቱርኪ፡ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ንኣርባዕተ መዓልቲ ድሕሪ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሶርያውያን ኩርዲ መጥቃዕቲ ኣጋር ክትከፍት ከምዝመደበት ገሊጻ። ፕረዚደንት ረሲፕ ጠይብ ኤርዶጋን፡ ምክልኻል ሃገሩ ድሮ ን 254 ኣሸበርቲ ካብ ስራሕ ወጸኢ ከምዝገበረ ብምሕባር እዚ ስርሒት ገና \"መጀመሪ ጥራይ እዩ\" ክብል ኣጠንቂቝ። ቱርኪ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኢስታንቡል ንዘጋጠመ መጥቃዕቲ ቦምባ ንኩርዳውያን ጕጅለታት እያ ትወቅስ። እቲ ዩ.ፒ.ጂ. ተባሂሉ ዝፍለጥ ዕጡቕ ሓይሊ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዘይፈጸሞ ብምግላጽ፡ ብንጻሩ እቲ ብቱርኪ ዝተተኮሰ ሚሳይል ኣብ ሰሜን ምብራቕ ሶርያ 30 ሰላማውያን ሰባትን 11 ተቓወምትን ከም ዝቐተለ ሓቢሩ። ክፍሊ ምክልኻል ኣሜሪካ፡ መጥቃዕቲ ቱርኪ ንድሕነት ናይቶም ኣብ ሶርያ ንዳዕሽ፡ እስላማዊ መንግስቲ (ISIS) ንምስዓር ዝሰርሑ ዘለዉ ኣባላት ስለያ ኣሜሪካ ኣብ ሓደጋ ከምዘእተወ ሓቢሩ። ቱርኪ ነቲ ብኣሜሪካ ዝድገፍ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር YPG ዝዓስከረ ሰራዊት ሶርያ (SDF)፡ ዝርከብ ሓይሊ ነቲ ኣብ ኢስታንቡል ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ቦምባ ከም ምኽንያት ተጠቒማ ንነዊሕ እዋን ከተካይዶ ወጢናቶ ዝነበረት ስግረ-ዶባዊ መጥቃዕቲ ከም ዘካየደት ከሲሱ ኣሎ። ሰራዊት ቱርኪ፡ ምስቶም ኣብ ሰሜናዊ ሶርያ ምስ ዝርከቡ ኣንጻር መንግስቲ ሶርያ ዝቃለሱ ተቓወምቲ ጕጅለታት፡ ካብ 2016 ኣትሒዙ ሰለስተ ዓበይቲ ስርሒታት ከም ዘካየደን ካብ ዶባቱ ልዕሊ 325 ኪ.ሜ. ንውሽጢ ሶርያ ኣትዩ መሬት ከምዝተቘጻጻረን ይፍለጥ። ኣብ 2019፡ ሩስያ ኣብ መንጎ ኣትያ ነቲ ውግእ ብስምምዕ ደው ክሳብ እተብሎ፡ ቱርኪ ነቲ ኣብ መንጐ ከተማታት ታል ኣቢያድን ራስ ኣልዓይንን ዝነበረ ቦታ ተቘጻጺራቶ ነይራ። ቱርኪ፡  “ንዋይፒጂ” ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ቱርኪ ንዓሰርተታት ዓመታት ንርእሰ-ምምሕዳር ኩርዲስታን ዝቃለስ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ኩርዲስታን (PKK) ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ ከም ግብረ-ሽበራዊ እያ እትቘጽሮ። ፒከይከይ እውን ብወገኑ ኣብቲ ብ13 ሕዳር ኣብ ማእከል ኢስታንቡል ሽዱሽተ ሰባት ዝቐተለ ነትጒ ኢድ ከምዘይነበሮ እዩ ዝገልጽ። ፕረዚደንት ኤርዶጋን፡ ቱርኪ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝሓየለ፡ ነቲ ምስ ሶርያ ዘራኽባ ዶብ ኣጽኒዓ \"ጸጥታዊ ኮሪደር\" ከምእትምስርት ብሓሙስ ንኣባላት ባይቶ ኤይ.ከይ ገሊጹ። \"መጥቃዕቲ ኣየር ንቕጽል ኣለና። ነቶም ኣሸበርቲ ድማ ኣብቲ ንዓና ዝጥዕመና ግዜ ኣበርቲዕና ከነጥቅዖ ኢና\" ክብል ኣጠንቂቝ። ኣዛዚ ኤስ.ዲ.ኤፍ. ማዝሉም ዓብዲ ንኣልሞኒተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ዝዓበየላ ከተማ ኮባነ፡ ኣብ ዝዀነ ይዅን መሬት እተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ \"ናይ ሓቂ ዕላማ\" ከም ዝዀነ ከም ዝኣምን ብምግላጽ፡ እቲ ኣብ ኢስታንቡል ዘጋጠመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ቱርኪ ብዝንቀሳቐሱ ተቓወምቲ ሶርያውያን ዕጡቓት ከም ዝተፈጸመ ሓቢሩ። ሚስተር ዓብዲ ብተወሳኺ፡ ሩስያን አሜሪካን ንቱርኪ ንምዕጋት እኹል ምድላው ኣይገበራን ኢሉ። እታ ንመንግስቲ ሶርያ እትድግፍ ሩስያ፡ ቱርኪ እትፍጽሞ መጥቃዕቲ ኣጋር ዕግርግር ዝፈጥር እዩ ክትብል ኣጠንቂቓ ኣላ። ኣሌክሳንደር ላቭረንየቭ ብረቡዕ ኣብ ካዛኽስታን ዝርርብ ድሕሪ ምክያዱ፡ \"ኣብ ኣንካራ እንገብሮ መጐተና፡ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ዝሕግዝ ካልእ መገድታት ክርከቦ ተስፋ ንገብር\" ኢሉ። ኣሜሪካ፡ ነታ ኣባል ኔቶ ዝዀነት ቱርኪ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝፍጠር ዝዀነ ምስሕሓብ ንዳዕሽ ንምቅላስ ዝግበር ቃልሲ ክዕንቅፎ ከምዝኽእል ኣጠንቂቓ። ኣሜሪካ ኣብ ምብራቓዊ ሶርያ ንዝርከብ ኣይሲስ ንምስዓር፡ ምስ ዩ.ፒ.ጂ.ን ካልኦት ሚሊሻታት ኤስ.ፒ.ጂን እያ ትሰርሕ። ኤስ.ኤስ. ብረቡዕ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ፡ ሓሙሽተ መጥቃዕቲ ኣየር ቱርኪ ነቶም ኣብቲ ኣል-ሖል ዝበሃል መዳጐኒ ማእከል ዝሕልዉ ሓይልታት ጸጥታ ኩርድ ዒላማ ዝገበረ ከም ዝነበረ፡ ኣዝማድ እቶም ወተሃደራት ከም ዝዀኑ እተጠርጠሩ ድማ ኣብኡ ከም ዘለዉ ገሊጹ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሰራዊት ኣሜሪካ ብሰሉስ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከተማ ሃሳቀ ኣብ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ማዝሉም ዓብዲ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ዘውረደ ቱርካዊ ሰርኲይት፡ ንሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ሓደጋ ከም ዘእተወ ገሊጹ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c512r52563xo"} {"headline":"ኢራን፡ ትካላት ዘቃጽሉ ዘለዉ ሰርሰርቲ መን ይዀኑ?","content":"ኣብ ዲጂታዊ ተክኖሎጂ ዝሰርሑ ሰርሰርቲ፡ ኣብ ግኡዝ ዓለም ጕድኣት ከውርዱ ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ኣየጋጥምን። እንተዀነ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ኢራን; ኣብ ሓደ ፋብሪካ ሓጺን ብኢንተርነት ዝወረደ መጥቃዕቲ፡ ሓደ ካብ ኣሻቐልቲ ጕዳያት ኰይኑ ኣሎ። ፕሬዳቶሪ ስፓሮው ዝበሃል ጕጅለ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ከቢድ ባርዕ ባዕሉ ከምዝፈጸመ ብምግላጽ፡ ንብህሎኡ መራትዒ ዝኸውን ስእሊ ዘርጊሑ። እዛ ካብ ካሜራ መቈጻጸሪ ድሕነት ዝተረኸበት ትመስል ስእሊ፡ ሰራሕተኛታት ንገለ ክፋል እቲ ፋብሪካ ገዲፎም ድሕሪ ምኻዶም፡ ሓንቲ ማሽን ዝመኸኸ ሓጺንን ሓውን ከተፍስስ ትርአ። እታ ቪድዮ፡ ሰባት ማይ ኣፍሲሶም ነቲ ሓዊ ከጥፍኡ እንከለዉ ኸኣ ትዛዘም። ኣብ ካልእ ብኢንተርነት ዝተራእየ ቪድዮ፡ ሰራሕተኛታት ፋብሪካ መጥፋእቲ ሓዊ ክጽውዑን ኣብ መሳርሒታት ዝወረደ ጕድኣት ክገልጹን ይስምዑ። ብቛንቋ ኢራን፡ 'ጎንጀሽክ ዳራንድ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፕሬዳቶሪ ስፓሮው፡ እቲ ብ27 ሰነ ኣብ ፋብሪካ ሓጺን ካብ ዝተፈጸሙ ሰለስተ መጥቃዕቲታት እቲ ሓደ ከምዝዀነን፣ ኢራን ንዝፈጸመቶ “ዘይተገለጸ” መጥቃዐቲ ዝተወሃበ ግብረ መልሲ ከምዝኾነን ይገልጽ። እቲ ጕጅለ ካብተን ኩባንያታት ከም ዝተሰርቀ ዝገልጽ ምስጢራዊ ኢ-መይላት ዘጠቓልል፡ ብርክት ዝበለ ሓበሬታ እውን ክዝርግሕ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ ናይ ቴለግራም ገጹ፡ \"እዘን ኩባንያታት እዚኣተን ኣብ ዓለምለኻዊ ቀይድታት እንከለዋ ስርሐን ይቕጽላ ኣለዋ። እዚ ብኢንተርነት ዝተገብረ መጥቃዕቲ፡ ንጹሃት ሰባት ንዘይምጕዳእ ብጥንቃቐ ዝፍጸም እዩ\" ኢሉ ጽሒፉ። ኣብ መወዳእታ ዘቐመጥዎ ሓሳብ፡ ኣብ ድሕነት መጥቃዕቲ ኢንተርነት ንዝሰርሑ ሰባት ዘሰንበደ እዩ። ፕሬዳቶሪ ስፓሮው ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ ክእትዉ ከም ዝኽእሉ ይፈልጡ ነይሮም፤ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍጻሞም ግን እቶም ሰራሕተኛታት ክሳዕ ዝወጹ ተዓጊሶም ተጸብዮም እዮም፤ ክሳዕ ክንደይ ጥንቁቓት ምዃኖም ድማ ክፍለጠሎም ይደልዩ ነይሮም። እዚ ኸኣ ንብዙሓት ሰባት፡ ፕሬዳቶሪ ስፓሮው ስርሒት ቕድሚ ምክያዱ፡ ገምጋም እቲ ዝስዕብ ሓደጋ ክገብር ዝግደድ፡ ወተሃደራዊ ስርሰራ ዘካይድ፡ ጽኑዕ ቍጽጽርን ዝግበረሉን ሞያውን ሓላፍነታውን ከምኡ'ውን መንግስታዊ ምወላ ዝግበረሉ ጕጅለ ክኸውን ከም ዝኽእል ክጠራጠሩ ገይርዎም እዩ። \"ጕጅለ ሰርሰርቲ ውልቀነጠፍቲ ምዃኖም እዮም ዝዛረቡ። እንተዀነ ዝተሓላለኸ ኣሰራርሓኦምን ልዑል ጽልዋኦምን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብመንግስቲ ከም ዝሰርሑ ወይ ዝምወሉ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ኢና ንኣምን።\" ይብል ኣብ ‘ቼክ ፖይንት ሶፍትዌር’ ሓላፊ ምርምር ሳይበር ኢታይ ኮሀን። ኣብ ቀረባ እዋን ኢራን፡  ኣብ ግሁድ ዓለም ጽልዋ ዘሕደሩ ዝተፈላለዩ መጥቃዕቲታት ኢንተርነት ግዳይ ኰይና እያ። ግን ከኣ ከምዚ ዝኣመሰለ ከቢድ መጥቃዕቲ ኣየጋጠማን። \"እዚ ብመንግስቲ ዝምወል ብኢንተርነት ዝግበር መጥቃዕቲ እንተደኣ ዘይኮይኑ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል እዩ፡\" ትብል ኣሰናዳኢት ጆርናል ፖሊሲ ሳይበር ፖሊሲ ኤሚሊ ቴይለር። \"ታሪኻዊ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ እቲ ኣብ 2010 ኣብ ልዕሊ ትካል መሳለጢ ዩራንየም ዝወረደ መጥቃዕቲ 'ስታክስነት' ካብቶም ብኢንተርነት ተፈጺሞም ኣካላዊ ጕድኣት ዘስዓቡ መጥቃዕቲታት እቲ ጐሊሑ ዝርአ እዩ።\" ስታክስነት ንፈለማ ግዜ ብ2010 ዝተረኽበ ቫይረስ ኮምፕዩተር እዩ። እዚ ቫይረስ፡ መጻረዪ ናይቲ ኣብ ናታንዝ ዝርከብ ትካል ዩራንየም ከዕንዎ ከሎ፡ ነቲ ኑክልየራዊ መደብ ዕንቅፋት ኰይንዎ እዩ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኣካላዊ ጕድኣት ከም ዘውረዱ ዝተረጋገጹ መጥቃዕትታት ሒደት እዮም። ኣብ 2014 ኣብ ጀርመን ዝተፈጸመ ምናልባት እቲ እንኮ መርኣያ እዩ። ኣብቲ ሰብመዚ ሳይበር ጀርመን ዘውጽኦ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ብኢንተርነት ኣብ ሓደ ፋብሪካ ሓጺን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ \"ብዙሕ ጕድኣት\" ከም ዘውረደን እቲ ፋብሪካ እውን ብህጹጽ ከምዝተዓጽወን ዝሕብር ኰይኑ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተዋህበሉን። ከቢድ ጕድኣት ከውርዱ ዝኽእሉ ዝነበሩ ግን ከይተዓወቱ ዝተረፉ ካልኦት ብኢንተርነት ዝፍነዉ መጥቃዕቲታት እውን ነይሮም እዮም። ንኣብነት ሰርሰርቲ ሃካይ፡ ነቲ ማይ ንምጽራይ ዝሕግዝ መሳለጥያታት ብምቍጽጻር ኣብ ቀረብ ማይ ከሚካላት ክውስኹ ፈቲኖም፣ ግን ኣይሰለጦምን። ንኣብነት ኣብ መራኸቢ መጓዓዝያ ብኢንተርነት መጥቃዕቲ ምፍጻም ልሙድ'ኳ እንተዀነ ኣካላዊ ጕድኣት ኣየስዓበን። ኤሚሊ ተይለር ከም ዝገለጸቶ፡ እዚ ዓቢይ ፍልልይ እዩ። ምኽንያቱ ሓንቲ ሃገር ኣብ ፋብሪካ ሓጺን ኢራን ኣካላዊ ጕድኣት ከም ዘውረደት እንተደኣ ተረጋጊጹ፡ ሓይሊ ምጥቃም ዝኽልክል ኣህጉራዊ ሕግታት ጥሒሳ ክትከውን ትኽእል እያ። ኢራን ድማ ሕነ ንኽትፈዲ ሕጋዊ ምኽንያት ክትረክብ የኽእላ እዩ። ስለዚ፡ ፕሬዳቶሪ ስፓሮው ብመንግስቲ ዝምወል ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ዝፍኑ ጕጅለ እንተዀይኑ፡ ነየነይቲ ሃገር ዝውክል እዩ? እቲ ስም [ገባሪት] ኣብ ኢራን ሓያል ተገዳስነት ዘለዋ ሃገር ምዃና ዝሕብር ኣፋፍኖት ክኸውን ይኽእል እዩ። መጥቃዕቲ ስታክስነት እስራኤል ብሓገዝ ኣሜሪካ ዝፈጸመቶ ከምዝኾነ ይግመት። ሕጂ እውን ፕሪዳቶሪ ስፓሮው ምስ እስራኤል ዝተተሓሓዘ ከምዝዀነ ዘመላኽቱ ወረታት መንግስቲ እስራኤል ግብረመልሲ ንኽህብ ደፋፊእዎ እዩ። ሚኒስተር ጸጥታ ቤኒ ጋንትዝ ብዛዕባ እቲ እስራኤላውያን ጋዜጠኛታት ዘውጽእዎ፡ እስራኤል ጠንቂ እቲ መጥቃዕቲ ምዃና ዝሕብር  ወረ ንኽምርመር ትእዛዝ ከምዝሃበ መራኸቢ ብዙሃን እስራኤል ይሕብራ። እቲ ሚኒስተር፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ትገበሮ ንጥፈታት ብዝምልከት፡ \"ዘይንጹር ፖሊሲ\" እስራኤል ተበላሽዩ ከይከውን ስግኣት ከምዘለዎ ይሕበር። \"እዚ ብኢንተርነት ዝፍኖ መጥቃዕቲ፡ ብመንግስቲ ዝምወል እንተዀይኑ እስራኤል ቀንዲ ተጠርጣሪት እያ። ኢራንን እስራኤልን ብኢንተርነት ኣብ ዝፍጸም ኲናት ተጸሚደን ኣለዋ፤ ክልቲአን ሃገራት ከኣ ነዚ ብወግዒ ኣፍልጦ ዝህባሉ ነገር እዩ፡\" ይብል ኣብ ኣንካራ ኣብ ‘ኤዲኢኦ ሳይበር ሴኵሪቲ’ ዝሰርሕ ኤርሲን ካህሙቶግሉ። \"ክልቲአን ሃገራት ትካላት ኣገልግሎት ስለያ ኣቢለን ብኢንተርነት ዝፍኖ መጥቃዕቲ ይውድባ እየን፤ ካብ 2020 ኣትሒዙ ኢራን ኣብ ትሕተ-ቕርጺ ማይ እስራኤል ዝፈሸለ መጥቃዕቲ ኢንተርነት ብምፍናው፡ ኣብ መጠን ክሎሪን ለውጢ ክትገብር ምስ ፈተነትን እስራኤል እውን ግብረመልሲ ምስ ሃበትን ርክበን መሊሱ እናሓርፈፈ እዩ ይመጽእ ኣሎ።\" ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጥቅምቲ፡ ፕሬዳቶሪ ስፓሮው፡ ስርዓተ ክፍሊት ሃገራዊ መደበር ነዳዲ ኢራን ካብ ኢንተርነት ወጻኢ ክኸውን ከምዝገበረ ሓላፍነት ወሲዱ ነይሩ። ብተወሳኺ'ውን እቲ ጕጅለ ኣብ ጽርግያታት ዘሎ ዲጂታዊ ምልክታት ሰሌዳ \"ካሚኒ፡ ነዳዲና ኣበይ ኣሎ?\" ክብል ከም ዝገበረ ገሊጹ እዩ። ኣብዚ'ውን እቶም ሰርሰርቲ ብዛዕባ እቲ ክፍጠር ዝኽእል ሕንፍሽፍሽ ኣቐዲሞም ኣብ ኢራን ንዘሎ ኣገልግሎት ህጹጽ እዋን ብምጥንቃቕ ዝተወሰነ ሓላፍነት ከምዝስምዖም ኣርእዮም እዮም። ተመራመርቲ ‘ቼክ ፖይንት’ ኣብቲ ፕሬዳቶሪ ስፓሮው ዝጥቀመሉ ጎዳኢ ሶፍትዌር፡ ሓደ ኮድ ከም ዝረኸቡ ይገልጹ። እዚ ሶፍትዌር እዚ ምስቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሓምለ ኣብ መደበር ባቡር ኢራን ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ እቲ ጕጅለ ኢንድራ ዝተጠቐመሉ ዝመሳሰል እዩ። ብመሰረት ጸብጻባት ዜና ኢራን፡ እቶም ሰርሰርቲ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ መደበራት ባቡር ምድንጓይ ምስራዝ ከምዝተፈጠር ብምሕባር፡ ተጓዓዝቲ ድማ ነቲ መራሒ ክጽውዑ መኺርዎም። እንተዀነ፡ እቲ ኣብ ፋብሪካ ሓጺን ዝወረደ መጥቃዕቲ እቲ ስግኣት እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ዝሕብር ምልክት ከምዝኾነ ክኢላታት ይገልጹ። ኣካያዲ ስራሕ እቲ ባርዕ ዘጋጠመሉ ኩባንያ ሓጺን፡ ሙባረክ፡ ናይቲ ትካል መዓልታዊ ስራሕ ከም ዘይተጸልወን ዝተጐድአ ዝኾነ ይዅን ሰብ ከምዘየለን ሓቢሩ። እቶም መጥቃዕቲ ዝወረዶም ካልኦት ክልተ ኩባንያታት'ውን ዋላ ሓንቲ ጸገም ከም ዘየጋጠሞም ገሊጾም እዮም። ናሪማን ጋሪብ ዝበሃል ኣብ ብሪጣንያ ዝነብር ኢራናዊ ተቓዋሚን ተጣባቒን፡ ብናጻ መርማሪ ስለያ ኢንተርነት እታ ስእሊ ሓቀኛ ምዃና ከምዝተቐበለ ገሊጹ እዩ። ብዛዕባ እቲ ባርዕ ዝገልጽ ክልተ ኻልእ ቪድዮታት'ውን ኣብ ተዊተር ከም ዝተዘርገሐ ሓቢሩ። \"እቲ መጥቃዕቲ ናይ ሓቂ ከምዝዀነ ሰራሕተኛታት ብኻልእ ኵርናዕ ዝቐድሕዎ ስእሊ የመልክት። ኣብ ገጽ ቴለግራም 'ቲ ሓደ ኩባንያ'ውን፡ ደሒሩ'ኳ እንተተኣልየ፡ መስመር ምህርቲ ተቛሪጹ ከምዝነበረ ዝገልጽ ጽሑፍ ርኢና ኢና።\" እቲ ቀይሕ መስመር ከም ዝተሓለፈ ስግኣት ኣለዎ። \"እስራኤል ጠንቂ እዚ መጥቃዕትታት እዚ እንተዀይና፡ ንሓደ ኣገልግሎት ምዕንቃፍ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ሓቂ ጕድኣት ከውርዱ ከም ዝኽእሉ ዘረጋግጹ ዘለዉ እመስለኒ። እዚ ኸዓ እቲ ኵነታት ብኸመይ እናገደደ ይኸይድ ከምዘሎ ዝሕብር እዩ።\"","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1e8vdjdepo"} {"headline":"ኣሜሪካ ኣብ መሳለጥያታት ብኢራን ዝድገፉ ጉጅለታት መጥቃዕቲ ኣካይዳ","content":"ኣሜሪካ ምስ ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ዝተኣሳሰሩ ጉጅለታት ኣብ ዝጥቀሙሉ ኣብ ምብራቓዊ ሶርያ ኣብ ዝርከቡ መሳለጥያታት ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝፈፀመት ገሊፃ። ኣብ ግዝኣት ደይር ኣል ዙር ዝርከቡ ትሽዓተ ድፋዓት ተተኮስትን መኽዘንን ብረቡዕ ኣጋ ምሸት ከምዝተሃረሙ ወተሃደራዊ ሰበስልጣን ኣሜሪካ ገሊጾም። ጎስጎስቲ ፍትሒ፡ ሽዱሽተ ሓለውቲ ከምዝተቐትሉ ክገልጹ እንከለዉ፡ ኢራን ድማ ምስቶም ዒላማታት ምትእስሳር ከምዘይብላ ሓቢራ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ብኢራን ዝድገፉ ጉጅለታት፡ ኣብ ሶርያ ኣብ ዝርከቡ ሓይልታት ኣሜሪካ  ሓያሎ መጥቃዕቲ ምፍጻሞም ስዒቡ \"ሓይልታት ኣሜሪካ ንምክልኻልን ንምዕቃብን\" ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝኣዘዞ ይግለጽ። ብ15 ነሓሰ ክልተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ደቡባዊ በረኻ ዝርከብ ወተሃደራዊ ቦታ ኣል-ታንፍ ከምኡ’ውን ኣብ ጥቓ መደበር ግሪን ቪለጅ ደይር ኣል-ዙር መጥቃዕቲ ክፍጽማ እንከለዋ ኣብ ህይወት ዝበጽሐ ጉድኣት ግን ኣይነበረን። ከም ኣካል ናይቲ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ኣንጻር ጂሃዳዊ ጉጅለ ኣይኤስ ዝዓለመ ዓለማዊ ጥምረት፡ ኣስታት 1,000 ወተሃደራት ኣሜሪካ ካብቲ መደበራት ወጺኦም፡ ብዘይ ፍቓድ መንግስቲ ሶርያ፡ ይንቀሳቐሱ ኣለዉ። እዞም ሓይልታት ኣሜሪካ፡ ኣይኤስ ዳግማይ ከይትንስእ ናይ ምክልኻል ዕማም ዝተውሃቦም እዮም። ትማሊ ረቡዕ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣሜሪካ ብኤፍ-15ን ኤፍ-16ን ጀት ከምዝተኻየደ ወተሃደራዊ ሰበስልጣን ንማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ሓቢሮም። ወሲኾም’ውን እቲ ውጥን 11 ድፋዓት ንምውቃዕ እዩ ነይሩ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ጥቓኦም ሰባት ብእግሮም ክኸዱ ስለዝተራእዩ እቶም ኣብረርቲ ኣብ ልዕሊ ክልተ ድፋዓት ቦምባ ከምዘይደርበዩ ገሊጾም። ወሃቢ ቃል ማእከላይ ትእዛዝ ኣሜሪካ ኮሎኔል ጆ ቡቺኖ \"ኣሜሪካ ነቲ ናይ ምብራኽ ሓደጋ ንምግዳብን ጉድኣት ንምንካይ ዝዓለመን ተመጣጣንን ዝኾነ ስጉምቲ ወሲዳ\" ክብል ሓቢሩ። ተኸታታሊ ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ ብወገኑ፡ እተን ጀት ኣብታ ካብ ከተማ ደይር ኣል ዙር ንሰሜን ኣስታት 10 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ ሩባ ኤፍራጥስ እትርከብ ከተማ ኣያሽ፡ ከምኡ’ውን ብኢራን ዝድገፍ ሚሊሻ ብርጌድ ፋተሚዩን ዝሰርሖ  መዓስከር ዒላማ ከምዝገበራ ሓቢሩ። ብርጌድ ፋተሚዩን፡ ኣብ ሓድሕድ ኲናት ሶርያ ንሓይልታት ሶርያ ዝድግፍ ብዓቢኡ ካብ ሺዓ ኣስላም ኣፍጋናውያን ተዋጋእቲ ዘለዎ ብርጌድ እዩ። እቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ተቖጻጻሪ ጉጅለ፡ ኣብ ኣያሽ ዝተፈጸመ ዓቢ ፍንጀራ ዘርኢ ቪድዮ ብምዝርጋሕን ምንጭታት ብምጥቃስን ኣብቲ መጥቃዕቲ ነቶም ቦታታት ዝሕልዉ ዝነበሩ ሽዱሽተ ሶርያውያንን ወጻእተኛታትን ተዋጋእቲ ከምዝሞቱ ሓቢሩ። እቶም ዒላማ ዝተገበሩ ቦታታት \"ምስ እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ዝኾነ ርክብ ዘይብሎም'ዮም\" ዝበለ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ናስር ካናኒ፡ እቲ መጥቃዕቲ \"ምግሃስ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶርያ\" ከምዝኾነ ገሊጹ። መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ ሓደ ጀነራል ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ኣብ ሶርያ \"ኣብ ተልእኾ\" እንከሎ ከምዝተቐትለ ምግላጸን ስዒቡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ'ዩ እዞም መጥቃዕቲታት ተፈጺሞም። እቶም መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ ኣቦልፋዝል ዓሊጃኒ ከም ወተሃደራዊ ኣማኻሪ ኮይኑ ይሰርሕ ምንባሩ እኳ እንተገለጹ፡ ብዛዕባ ኩነታት ሞቱ ግን ዝኾነ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃቡን። ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን፡ ኲናት ሓድሕድ ሶርያ ካብ ዝተጀመረሉ 2011 ኣትሒዙ ኣብ ሶርያ ርኡይ ህላወ ሃኒጹ ኣሎ፡ ኣማኢት ሰራዊት ብምልኣኽ ንሓይልታት ፕረዚደንት በሽር ኣል ኣሳድ ክምዕድን ደገፍቲ መንግስቲ ዝኾኑ ምልሻታት ከሰልጥንን ጸኒሑ እዩ። ኣሜሪካ መግዛእቲ ኣሳድ ከብቅዕ ንዝፍትኑ ተቓወምቲ ጉጅለታት ትድግፍ'ኳ እንተኾነት፡ ኣብቲ ግጭት ቀጥታዊ ወተሃደራዊ ምትእትታው ንዘይምግባር ግን ጻዕሪ ክትገብር ጸኒሓ እያ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyjmj1rd89zo"} {"headline":"ማእከላይ ምብራቕ፡ ታሪኻዊ ዋዕላ ሃገራት ዓረብን እስራኤልን ኣብ ምድረበዳ ነጌቭ","content":"እቲ ወከልቲ ሓያሎ ሃገራት ዓረብን እስራኤልን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ \"ቅድሚ ኹሉ\" ነቲ ካብ ኢራን ዝምንጩ ስግኣት ንምግጣም ዝሕግዝ'ዩ ክብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ተዛሪቡ። ኣብቲ እስራኤል ዘአንገደቶ ዋዕላ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ናይተን ኣብ 2020 ምስታ ሃገር ሓድሽ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ዝመስረታ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ባሕሬን፡ ሞሮኮን ተረኺበን። እቲ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን'ውን ዝተሳተፎ ኣብ መንጎ ሃገራት ዓረብን እስራኤልን ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ኣብ ታሪኽ እተን ሃገራት ፈላሚ'ዩ ተባሂሉ። ኩሎም ወገናት፡ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ሽርክነት ንምምዕባል ተሰማሚዖም ኣለዉ። ኣብቲ ኣብ ምድረበዳ ነጌቭ ዝተፈኻየደ ታሪኻዊ ዋዕላ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ዝርከቦም ዕለዎት ዲፕሎማሰኛታት፡ እቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤምን ዘሎ ግጭት ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕ ዘለዎም ደገፍ ደጊሞም ኣረጋጊጾም ኣለዉ። ብዘይካ እስራኤል፡ ኩለን ኣብቲ ኣኼባ ዝተወከላ ሃገራት ናጻ ሃገረ ፍልስጤም ክትምስረት ዝድግፋ'የን። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፍልስጤም ብወገኑ፡ እቲ ዋዕላ \"ሓያል መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፍልስጤም'ዩ\" ክብል ነቒፉ። ነተን ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፋ ሃገራት ዓረብ ግን ብቐጥታ ኣይነቐፈንን። እቲ ኣኼባ ኣብ ሓደ ሆቴል ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ግን፡ ገለ ዕጡቓት እስራኤላውያን ዓረብ፡ ኣብ ሰሜናዊት ከተማ ሃደራ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ብምቕታል ሽዱሽተ ሰባት ኣቚሲሎም። እቶም ሚኒስተራት ነቲ ቅትለት ክኹንንዎ እንከለዉ፡ ሞሮ ድማ እቲ ዋዕላ ናይቲ መጥቃዕቲ \"ዝበለጸ ግብረመልሲ'ዩ\" ኢላ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ያኢር ላፒድ ድሕሪ'ቲ ኣኼባ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዋዕላ \"ቀዋሚ መድረኽ\" ኮይኑ ክቕጽል እቶም ዲፕሎማሰኛታት ከምዝወሰኑ ተዛሪቡ። \"ኣብዚ ታሪኽ ንሰርሕን ኣብ ገስጋስ፡ ቴክኖሎጂ፡ ሃይማኖታዊ ተጻዋርነት፡ ጸጥታን ስለያዊ ምትሕብባርን ዝተመስረተ ሓድሽ ዞባዊ ቅርጺን ኢና ንሃንጽ ዘለና። እዚ ሓድሽ ቅርጺን ንሃንጾ ዘለና ዝተማቓርሐ ዓቕምታትን ንናይ ሓባር ጸላእትና ዘፈራርሕን ዝገትእን'ዩ፡ ፈለማን ቀንድን ኢራንን ተሓባበርታን\" ክብል ሊፒድ ገሊጹ። እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ንጉስ ዮርዳኖስ ዓብደላ ካልኣይ፡ ናብ ምዕራባዊ ገማግም ብምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ምምሕዳር ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ ኣብ ከተማ ራማላህ ተራኺቡ። ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን'ውን ብሰንበት ምስ ዓባስ ብምርኻብ፡ ነቲ \"ክልተ-ሃገራት\" ዝብል ፍታሕ ግጭት እስራኤልን ፍልስጤምን ዘለዎ ደገፍ ብምግላጽ፡ ሃገሩ ንፍልስጤማውያን እትህቦ ደገፍ ከምእተዛይዶ ገሊጽሉ። ብሊንከን ኣቐዲሙ'ውን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ናፍታሊ በነት ተራኺቡ ነይሩ። ድሕሪ'ቲ ኣኼባ ድማ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብኮቪድ-19 ከምዝተለኽፈ ተረጋጊጹ። እቲ ኣኼባታት፡ ኣመሪካ ምስ ኢራንን ዝኣተወቶን ጸኒሓ ዘፍረሰቶ ውዕል ኑክሌር ክትምለሶ'ያ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን'ዩ ክካየድ ቀንዩ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ብዘመነ ስልጣን ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኣብ 2015 ዝተበጽሐ ስምምዕ ብምቅዋም፡ ኣመሪካ ከተንሳሕብ ድሕሪ ምውሳኑ፡ ኢራን በቲ ውዕል ዝተደረተ መስርሕ ኑክሌራዊ ምምዕባል ከምዝቐጸለቶ ይፍለጥ። እስራኤል፡ ዝኾነ ምስ ኢራን ዝግበር ውዕል ንኢራን ዘሐይል ስለዝኾነ ስግኣት ከምዝፈጥረላ'ያ ትምጉት። ሃገራት ዓረብ'ውን ተመሳሳሊ መርገጺ ከምዘለወን ይግለጽ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60908389"} {"headline":"መጥቃዕቲ ኢርቢል፡ ኢራን ናብ ሰሜናዊት ከተማ ኢርቢል ሚሳይላት ወንጪፋ","content":"ሓይልታት ሓለዋ ሰውራ ኢራን ሎሚ ለይቲ (13 መጋቢት 2022) “እስትራቴጂካዊ ማእከል እስራኤል” ናብ ዝበሉዎ ኣብ ዒራቓዊት ኩርዳዊት ከተማ ኢርቢል ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ኣካይዶም። ኣብ ጥቓ ቆንስል ኣመሪካ ዝዓለበ 12 ሚሳይላት ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለየ ህንጻታት ጉድኣት ከምዘውረደን ሓደ ሲቪል ከም ዝተወግአን ዞባዊ መንግስቲ ኩርዲስታን ሓቢሩ። መንግስቲ ኣመሪካ በቲ ናይ ፈራሓት ዝበሎ ኣብ ስቪላዊ ቦታታት ኢርቢል ዝወደቐ መጥቃዕቲ ሚሳይል፡ ዝኾነ ኣመሪካዊ ከምዘይተጎድአን መሳለጥያታቱ እውን ዝዀነ ዕንወት ከምዘይወረዶን ሓቢሩ። መንግስቲ እስራኤል ኮነ ወተሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ብዛዕባ’ቲ ኢራን ዝበለቶ ርእይቶ ክህብ ኣይደለየን ። ይኹን እምበር፡ ሰብ መዚ ኩርዲ እቲ ሰራዊት ሓለዋ ሰውራ ኢራን ዝበሎ፡ ኣብ ሲቪላዊ ቦታታት መጥቃዕቲ ንምክያድ ከም መመኽነይታ ዝቐረበ \"መሰረት ዘይብሉ\" ፕሮፓጋንዳ እዩ ክብሉ ገሊጾም። ኣውቲስታ ታክሲ ዚርያን ዋዚር ኣብ ጥቓ ቆንስል ኣመሪካ ኣብ መኪናኡ እንከሎ ሰምበት ሰዓት ሓደ ናይ ለይቲ፡ ወይ (ቀዳም 23፡ 00 ሰዓት 11 ናይ ምሸት ብኣቆጻጽራ ለንደን) እቲ ሚሳይላት ከምዝወደቐ ሓቢሩ። ፈለማ ብርቱዕ ዒግታን ሓመድን ርእየ። ካብኡ ብርቱዕ ድምጺ ተዅሲ ሰሚዐ። መሳዅቲ ናይ መኪናይ ተሰባቢሩ፡ ኣብ ገጸይ ድማ ተሃሪመ” ክብል ንማዕከናት ዜና AFP ሓቢሩ ። ኩርዲስታን -24 እተሰምየት መደበር ተሌቪዥን ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ-ጽሕፈታ ዝወረዳ ዕንወት ዘርኢ ስእሊ ዘርጊሓ። ማዕከናት ዜና ኢራን'ውን እቲ ሰውራዊ ሓይሊ ኢራን ነቲ \"ኣብ ቀረባ ግዜ ንዝፍጸም ገበናት\" ኣመልኪቱ፡ ኣብ ኢርቢል ፡ “ስትራተጂያዊ ማእከል ውዲትን እከይን ጽዮናውያን ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ከም ዘካየደ ገሊጸን ። ሓይልታት ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ እስራኤላውያን ብሰኑይ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ሶርያ ደማስቆ ዘካየዱዎ ንክልተ ላዕለዎት ኢራናውያን መኰንናት ዝቐተለ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ዋጋ ክኸፍልሉ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም ነይሮም። ባይቶ ሚኒስተራት ዞባ ኩርዲስታን፦ \"እዚ ኣብ ኢርቢል ኣብ ጥቓ ቆንስል ኣመሪካ ዝርከብ መደበር እስራኤል ከምዝተሃርመ ኣምሲልካ ዝግለጽ ዘሎ ናይ ፈራሓት መጥቃዕቲ ንሲቪላዊ ዒላማታት ንምህራም ከም መመኽነይታ ዝቐርብ ዘሎ ዕባራ ምኽንያት ምዃኑ ገሊጹ። \" ፕሮፖጋንዳ ናይቶም ነዚ መጥቃዕቲ’ዚ ዝፈጸሙ ሰባት ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምዃኑ ደጊምና ነረጋግጽ\" ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ ሙስጣፋ ቃዲሚ እውን ነቲ መጥቃዕቲ ኰኒንዎ ኣሎ ። ንሱ ፡ \"ነታ ፍትውቲ ከተማ ኢርቢል ዒላማ ዝገበረን ኣብ ልዕሊ ነበርታ ፍርሒ ዘስፍን መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ጸጥታ ህዝብና ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እዩ\" ክብል ትዊት ገይሩ። \"ሓይልታት ጸጥታና ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዝወርድ ዝኾነ ይኹን ምፍርራሕ መርሚሮም ብጽንዓት ደው ክብሉ እዮም \" ከኣ ኢሉ። ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ዒራቕ፡ ማቲው ቱለር፡ ኢራን፡ በዚ ንልኡላውነት ዒራቕ ዝጥሕስን ኣብ ልዕሊ ንጹህ ሲቪላዊ ሕብረተሰብ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻማ ተሓታቲ ክትከውን ኣለዋ\" ኢሉ ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60732969"} {"headline":"ተዋጋእቲ የመን፡ ንክልተ ኣዋርሕ ተኩሲ ደው ከብሉ ተስማሚዖም","content":"ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ተዋጋእቲ የመን ንክልተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ምግባሮም ኣፍሊጡ። ካብ 2016 ጀሚሩ፡ ኣብ መላእ የመን ተግባራዊ ዝኸውን ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ እንትብጻሕ፡ ንፈለማ ግዜ እዩ። ኲናት ሕድሕድ የመን፡ ኣብታ ሃገር ኣዝዩ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዘስዓበ ጸብጻባት ይሕብሩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ምስዚ ኲናት ሕድሕድ ብዝተኣሳሰር፡ ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ከይሞቱ ኣይተርፉን ይብል። ካብ መንጎ 'ዚኦም፡ እቶም 60 ሚእታዊት፡ ብሕጽረት መሰረታዊ ኣገልግሎት ሕክምናን ጽሩይ ዝሰተ ማይን ንሞት ከም ዝተቓልዑ ይገልጽ። እዚ ኣብ መላእ፥ታ ሃገር ተግባራዊ ክኸውን ዝትስፈወሉ ሓድሽ ስምምዕ፡ ኣብ መንጎ 'ቶም ብስዑዲ ዝምራሕ ጥምረት ዝድገፍ 'ዕላዊ መንግስት'ን ብኢራን ዝድገፉ ሓይልታት ሑትን እዩ ተኻይዱ። እዚ ተዅሲ ደው ምባል ተፈጻሚ ክኸውን ዝጀምር፡ ጾመ ረመዳን ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ ምዃኑ ተገሊጹ'ሎ። ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ጆ ባይደን፡ እዚ ብሽምግልና ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ንየመናውያን ዕረፍቲ ዝህብ ምዃኑ ይገልጽ። \"እዚ ጽቡቕ ጅማሮ'ኳ እንተኾነ፡ እኹል ግን ኣይኮነን። እቲ ስምምዕ ክኽበር ኣለዎ። ቅድሚ ሕዚ'ውን ተዛሪበ ነይረ። እዚ ኲናት ደው ክብል ኣለዎ\"። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ብወገኑ፡ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ብቕልጡፍ ተግባራዊ ክኸውን ተላብዩ ኣሎ። እቲ ስምምዕ፡ መራኽብ ናብታ ዕጡቓት ሑቲ ተቘጻጺሮምዋ ዘለዉ ወደብ ኣል-ሑዳይዳ ክእትዋ፤ ከምኡ'ውን፡ ነፈርቲ ኣብ ምቁጽጻር ሑቲ ናብ እትርከብ፡ ርእሰ ከተማ የመን፡ ሰንዓ፡ ክዓርፋ ይፈቅድ። እቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ጥምረት ሃገራት፡ ኣብ የመን ዕላዊ መንግስቲ ብምድጋፍ ምስ ዕጡቓት ሑቲ ንዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ክዋጋእ ጸኒሑ እዩ። ዕጡቓት ሑቲ ብወገኖም፡ ሰብ-ኣልቦ ነፈርትን [ድሮን] ሚሳይላትን ተጠቒሞም፡ ንስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ከጥቅዑ ጸኒሖም ኣለዉ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60964906"} {"headline":"ንኽምርዓዋ ናይ ድንግልና ምስክር ወረቐት ዘድልየን ደቂ ኣንስትዮ","content":"ኣብ ኢራን ድንግልና ንብዙሓት ኣዋልድን ስድራቤተንን ቅድሚ መርዓ ኣገዳሲ እዩ። ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ነቲ ተግባር ኣንጻር ሰብኣዊ መሰላት እዩ ክብል እንተነቐፎ’ኳ ሓደሓደ ግዜ ደቂ ተባዕትዮ ናይ ድንግልና ምስክር ወረቐት ክጠልቡ ይረኣዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግን ብዙሓት ሰባት ኣንፃር እቲ ልምዲ ተቓውሞ ከስምዑ ጀሚሮም ኣለዉ። በዓል ገዝኣ ንሜሪ ኣብታ ንመጀመርታ ግዜ ጾታዊ ርክብ ዝፈጸሙላ መዓልቲ \"ድንግል ስለ ዘይኮንኪ ኣታሊልኪ ክምርዓወኪ ጌርክኒ። እቲ ሓቂ እንተዝፍለጥ ዝምርዓወኪ ሰብ ኣይምሃለወን\" ከም ዝበላ ትዝክር። ዋላ እኳ ኣብቲ ፆታዊ ርክብ ዝፈጸሙሉ እዋን ደም እንተዘይፈሰሳ ቅድሚኡ ጾታዊ ርክብ ዝብሃል ፈጺማ ከም ዘይትፈልጥ ክተረድኦ እያ ፈቲና። ንሱ ግን ኣይኣመናን፤ ናይ ድንግልና ምስክር ወረቐት ክተምፅእ እውን ሓተታ። እዚ ኣብ ኢራን ዘይተለምደ ኣይኮነን። ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ድሕሪ ሕፀ ናብ ሓኪም ብምኻድ ጾታዊ ርክብ ፈጺመን ከምዘይፈልጣ ዘረጋግጽ መርመራ ክገብራ ይግደዳ። ይኹን እምበር ውድብ ጥዕና ዓለም ምርመራ ድንግልና ሳይንሳዊ ረብሓ ከም ዘይብሉ እዩ ዝሕብር። ኣብ ሜሪ ዝተርኣየ ምስ ድንግልንኣ እናሃለወት ናይ ዘይምድማይ ኩነታት፡ ብምኽንያት ኣቀማምጣ ድንግልንኣ ክትደሚ ከምዘይትኽእል እዩ ብሓኻይም ዝተወሃበ መረዳእታ ዘረጋግፅ። \"እዚ ኩነታት ንኽብረይ ዝጎድእ እዩ። ዝኾነ በደል ኣይፈጸምኩን፤ በዓል ቤተይ ግን ምጽራፍ ኣየቋረፀን\" ትብል። ነቲ ዘጋጠማ ክትፃወሮ ስለዘይከኣለት መድሓኒት ብምውሳድ ነብሰ ቅትለት ክትፍጽም ፈቲና ነይራ። ናብ ሆስፒታል ተወሲዳ ድማ ብህይወት ክትተርፍ ኪኢላ። \"ነተን ፀልማት እዋናት ፈጺመ ኣይርስዐንን። ኣብቲ ግዜ ካብ ክብደተይ 20 ኪሎ ነክየ ነይረ\" ትብል። ዛንታ ሜሪ ኣብ ህይወት ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኢራን ዘጋጥም እዩ። ቅድሚ መርዓ ድንግልና ዓቒብካ ምፅናሕ ክሳብ ሎሚ ንብዙሓት ኣዋልድን ስድራቤተንን ወሳኒ ጉዳይ ኮይኑ ይርከብ። ብፍላይ ኣብ ባህላዊ ዓቃባውነት ዓሚቝ ሰረት ኣለዎ። ኣብዚ ቀረባ እዋናት ግን ነገራት ክቕየሩ ጀሚሮም ኣለዉ። ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከቡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን መርመራ ድንግልና ደው ንኽብል ጎስጓስ ኣብ ምክያድ ይርከቡ። ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር፡ ብኢንተርነት ዝተኻየደ ፊርማ ናይ ምትእኽኻብ ወፍሪ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ጥራሕ ኣስታት 25 ሽሕ ፌርማታት ክረክብ ኪኢሉ ነይሩ። ኣብ ኢራን መርመራ ድንግልና ብብዙሓት ቅሉዕ ተቓውሞ ከጋጥሞ ከሎ ሽዑ ንፈለማ እዋን እዩ። \"እዚ ንውልቃውነት (ምስጢራውነት) ዝግህስን ንኽብሪ ዘዋርድን'ዩ\" ትብል ኔዳ። ንሳ ጓል 17 ዓመት ተማሃሪት እንከላ እያ ኣብ ቴህራን ብኣፍቃሪኣ ድንግልንኣ ከይዱ። \"ሽዑ ብጣዕሚ ሰንቢደ። ስድራይ እንተፈሊጦም እንታይ ክፍጠር ከምዝኽእል ኣዝየ እየ ፈሪሔ ነይረ\" ትብል። በዚ ምኽንያት ኔዳ ንድንግልንኣ ክትጽግኖ ወሰነት። ብርግፅ እዚ ኣገባብ ዘይሕጋዊ ተግባር ኣይኮነን፤ ግን ድማ ሓደገኛ ማሕበራዊ ሳዕቤናት ስለዘለዎ ዝኾነ ይኹን ሆስፒታል ነቲ ተግባር ክፍጽሞ ኣይሰማማዕን። ስለዚ ኔዳ ነቲ ፅገና ብሕቡእ ክፍፅመላ ዝኽእል ናይ ብሕቲ ክሊኒክ ደልያ ረኸበት፡ እቲ ዋጋ ግን  ኣዝዩ ከቢድ ነበረ። \"ኩሉ ዝዓቖርክዎ ገንዘበይ ኣውጺአ፤ ላፕቶፐይ፣ ሞባይለይን ካብ ወርቂ ዝተሰርሐ ስልማተይን ሸይጠ\" ትብል። ኣብ ሞንጎ እቲ መስርሕ ፅገና ድንግልና ገለ ስሕተት እንተኣጋጢሙ ድማ ምሉእ ሓላፍነት ክትወስድ ፈረመት። ብድሕሪኡ ሓንቲ መዋልዳን (መሕረሲት) ነቲ ስራሕ ፈጸመትላ። ዝወሰዶ ግዜ ድማ 40 ደቓይቕ ነይሩ። ኔዳ ግን ንኽትሓዊ ብዙሕ ሰሙናት’ዩ ወሲድዋ። \"ብዙሕ ቃንዛ ነይሩኒ። እግረይ ከንቀሳቕስ ኣይከኣልኩን\" ክትብል ትዝክር። ንኹሉ ነገር ካብ ወለዳ ሓቢኣ እያ ኣሕሊፋቶ። \"ኣዝዩ ጽምዋ ተሰሚዑኒ። ንሳቶም ከይፈልጡ ነቲ ሽግር ፍታሕ ክረኽበሉ ምኽኣለይ ግን ነቲ ቃንዛ ክጻወሮ ዝሓገዘኒ ይመስለኒ\" ትብል። ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ኔዳ ዝፈጸመቶ ኩሉ ነገራት ንኸንቱ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ክምርዓዋ ምስ ዝደሊ ሰብ ተራኸበት። ጾታዊ ርክብ ኣብ ዝፈጸሙሉ እዋን ግን ኣይደመየትን። እቲ ዝፈጸመቶ ጽገና ድንግልና ፈሺሉ። \"ኣፍቃሪየይ ኣታሊለ ናብ ሓዳር ከእትዎ ከምዝፈተንኩ ብምሕባር ከሲሱኒ። ሓሳዊት ከምዝኾንኩ ነጊሩ ገዲፉኒ ከይዱ\" ክትብል ነቲ ዘሕለፈቶ ተዘንትው። ውድብ ጥዕና ዓለም ንመርመራ ድንግልና ስነ-ምግባራዊ ከምዘይኮነን ሳይንሳዊ ረብሓ ከምዘይብሉን ብምግላፅ እኳ እንተኹነኖ፡ እቲ ተግባር ግን ክሳብ ሕጂ ኢንዶነዥያ፣ ዒራቕን ቱርክን ኣብ ዝርከብአን ብዙሓት ሃገራት እዩ ዝፍጸም። ትካል ሕክምና ኢራን፡ መርመራታት ድንግልና አብ ከም ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐርብ ጉዳያትን ክስታት ዓመጽን ዝበሉ ፍሉይ ኩነታት ጥራሕ ክካየዱ ኣለዎም ዝብል መርገጺ ኣለዎ። ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኡ ናይ ድንግልና ምስክር ወረቐት ንምርካብ ዝቐርብ ሕቶታት ካብቶም ንኽምርዓዉ ዝሓሰቡ መጻምድቲ እዩ። ምርጭኦም ድማ ናይ ብሕቲ (ውልቀ) ክሊኒካት ይኾኑ። መብዛሕትኡ ግዜ እተን ደቂኣንስትዮ ብኣዴታታተን ከይተረፈ ተዓጂበን ነቲ ምርመራ ከካይዳ ይግደዳ። ሓካይም ማህጸን ወይ መዋልዳን ከኣ ነቲ መርመራ ብምክያድ ምስክር ወረቐት ይህቡ። እቲ ምስክር ወረቐት ስም እታ ጓል ኣንስተይቲ፣ ስም ኣቦኣ፣ ቁፅሪ ሃገራዊ መለለዪ መንነታ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ስእላ ዝሓዘ ይኸውን። ንኹነታት ድንግልና እታ ጓል ኣንስተይቲ ዝገልጽ ኮይኑ፡ \"እዛ ጓል ድንግል ትመስል\" ዝብል መግለፂ’ውን የጠቓልል። ኣብቶም ኣዝዮም ዓቃባውያን ዝኾኑ ስድራቤታት፡ ኣብቲ ሰነድ ኽልተ መሰኻኽር - ብፍላይ ኣዴታት ክፍርማ ይግበር። ዶክተር ፋሪባ ሰርቲፊኬት ኣብ ምሃብ ዓመታት ኣቑጺራ ኣላ። ንሳ ዘዋርድ ተግባር ምዃኑ’ያ ቅቡል ትገብር። ግን ድማ ንብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ትሕግዝ ከምዘላ ትኣምን። \"ካብ ስድራቤተን ኣብ ዝበፅሐን ከምዚ ዝበለ ጸቕጢ እየን ዘለዋ። ሓደ ሓደ ግዜ ነቶም መጻምድቲ ብቓል ክሕስዎም እየ። ብሓባር እንተ ደቂሶም ክምርዓዉ እንተደልዮምን፡ እታ ሰበይቲ ድንግል ከምዝኾነት እየ ኣብ ቅድሚ ስድራቤቶም ዝዛረብ\" ትብል። ንብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ግን ድንግል ንዝኾነት ምምርዓው ሕዚ እውን ወሳኒ ጉዳይ እዩ። \"ሓንቲ ጓል ቅድሚ መርዓኣ ድንግልናኣ እንተስኢና ተኣማኒት ክትከውን ኣይትኽእልን እያ። ንሰብኣያ ገዲፋ ናብ ካልእ ወዲ ተባዕታይ ክትከይድ ትኽእል እያ\" ይብል ወዲ 34 ዓመት ዓሊ። ንባዕሉ ግን ምስ 10 ኣዋልድ ጾታዊ ርክብ ከም ዝፈጸመ ይዛረብ። ዓሊ ኣብ ሕብረተሰብ ኢራን ንደቂኣንስትዮን ደቂተባዕትዮን ብማዕረ ናይ ዘይርእይ ፀገም ከምዘሎ ይቕበል፡ እንተኾነ ግን ነቲ ልምዲ ንምስባር ምኽንያት ከምዘየድልይ ይዛረብ። \"ማሕበራዊ ስርዓታት እታ ሃገር ደቂ ተባዕትዮ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ናጽነት ከም ዘለዎም እዮም ዝቕበሉ\" ይብል። ኣረኣእያ ዓሊ ብፍላይ ኣብ ገጠራትን ዓቃባውያንን ከባቢታት ኢራን ብዙሓት ሰባት ዝቕበልዎ እዩ። ዋላ'ኳ ኣንጻር መርመራ ድንግልና ዝግበር ሰልፍታት እናወሰኸ ይመፅእ እንተሃለወ፡ እዚ ልምዲ ግን ኣብ ውሽጢ ባህሊ ኢራን ኣዝዩ ሱር ዝሰደደ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብዙሓት መንግስትን ኣውፃእቲ ሕግን ነቲ ተግባር ፈጺሙ ዝእግድ ሕጊ ኣብ ቀረባ እዋን ከውጽኡ ከምዘይክእሉ ይኣምኑ። ሜሪ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ህይወታ ክተጥፍእ ድሕሪ ምፍታንን ምስቲ መጥቃዕቲ ዘብፅሓላ በዓል ቤታ ድሕሪ ምቕማጣን፡ ኣብ መወዳእታ ብቤት ፍርዲ ኣቢላ ፍትሕ ክትፍፅም ክኢላ’ላ። \"ንሰብኣይ ዳግማይ ክኣምኖ ኣዝዩ ከቢድ ክኾነኒዩ። ኣብ ቀረባ እዋን መሊሰ ክምርዖ ከምዝኽእል ኣይረኣየንን\" ትብል። ንሳ’ውን ልክዕ ከም ካልኦት ዓሰርተታት ኣሽሓት ደቂ ኣንስትዮ፡ ነቲ ምሃብ ምስክር ወረቐት ድንግልና ደው ንምባል ብኦንላይን ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ፊርምኣ ከምዝሃበት ትዛረብ። ዋላ እኳ ኣብ ቀረባ እዋን ዝቕየር ነገር እንተዘይተጸበየት፡ ምናልባት ኣብ ውሽጢ ዕድሚኣ እውን እንተዘይኮነ፡ ሓደ መዓልቲ ግን ደቂ ኣንስትዮ ሃገራ ማዕርነት ክረኽባ እየን ዝብል እምነት ኣለዋ። \"ሓደ መዓልቲ ከም ዝኸውን ርግጸኛ እየ። ኣብ መጻኢ ዝኾነት ጓልኣንስተይቲ በቲ ኣነ ዝሓለፍክዎ ክትሓልፋ ከምዘይትግደድ ተስፋ እገብር\" ትብል። [ኣስማት ኩሎም ቃለ መሕትት ዝተገብረሎም ሰባት ንድሕነቶም ብዝብል ተቐይሩ’ሎ። ኣብዚ ፅሑፍ ብዝተልዓሉ ዛዕባታት ብዝኾነ ይኹን ኩነታት ዝተፀለውኩም እንተሃሊኹም ንደገፍ ናብ ቢቢሲ ኣክሽን ላይን ተወከሱ]","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cl45dep8n27o"} {"headline":"ኣሜሪካዊ ብሪጣንያዊ ሞራድ ጣህባዝ፡ ብስለያ ተጠርጢሩ ኣብ ኢራን ዳግማይ ተኣሲሩ","content":"ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኢራን ዝተፈትሐ ብሪጣንያዊ ኣመሪካዊ ሞራድ ጣህባዝ ዳግማይ ከምዝተኣሰረ ስድርኡ ገሊፆም። ዜግነት ኢራን'ውን ዘለዎ ሞራድ ጣህባዝ፡ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ብመንግስቲ ኢራን ተኣሲሮም ዝፀንሑ ካልኦት ዜግነት ኢራንን ብሪጣንያን ዘለዎም እንትፍትሑ፡ ንሱ'ውን ምስኦም እዩ ተፈቲሑ። ምስኡ ዝተፈትሑ ብሪጣንውያን ኢራናውያን ናዛኒን ዛጋሪ ራትክሊፍን ኣኖሸህ ኣሾሪን ምስ ተፈትሑ ቀጥታ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ብምምላስ ምስ ስድርኦም ተራኺቦም'ዮም። ወዲ 66 ዓመት ሞራድ ጣህባዝ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2018፡ ስራሕቲ ዕቀባ ኣብ ዝሰርሐሉ እዋን'ዩ ተኣሲሩ። ሰብመዚ ኢራን፡ ንጣህባዝን ካልኦት ሸውዓተ ሰራሕተኛታት ዕቀባን፡ ብዛዕባ ስትራቴጂካዊ ቦታታት ኢራን ሓበሬታ ትእክቡ ነይርኩም ኢሎም ይኸስዎም። ፀሓፊት ጉዳያት ወፃኢ ዓባይ ብሪጣንያ ሊዝ ትሩስ፡ ጣህባዝ ኣብ ቴህራን ናብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ክኸይድ ብዕረፍቲ ከምዝተፈትሐ ኣብቲ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣፍሊጣ ነይራ። ሊዝ ትሩስ ኣብ ሃውስ ኦፍ ኮሞንስ፡ ሞራድ ጣህባዝ፣ ዛጋሪ ራትክሊፍን ኣኖሸህ ኣሾሪን \"ብሳላ ዘይሕለልን ሃናፅን ዲፕሎማሲ ዓባይ ብሪጣንያ ተፈቲሖም\" ኢላ። እንተኾነ ትማሊ ዓርቢ፡ ስድራ ሞራድ ጣህባዝ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝመለስዎ \"ዘሰንብድ ዜና\" ሰሚዕና ኢሎም። ስድርኡ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ፡ \"ሕዚ ተሻቒልና ኢና ዘለና። ዛጋሪ ራትክሊፍን ኣኖሸህ ኣሾሪን ናብ መንበሪ ገዝኦም ብምምላሶም ዝነበረ ፈንጠዝያ ስዒቡ፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ምፍታሕ ጣህባዝ ንምውሓስ ሓላፍነት ከምዝወሰደ ርግፀኛታት ኢና ነይርና። ግና መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ ጉዳይ ናፅነት ሞራድ ኣብ ልዕሊ ሰብመዚ ኢራን ተመሳሳሊ ፀቕጢ ዝገበረ ኣይመስለናን\" ኢሎም። ጉዳያት ወፃኢ ዓባይ ብሪጣንያ ነዚ ምዕባለ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኢራናውያን፡ ጣህባዝ ቅድሚ ምፍትሑ ፖሊስ ገበን ንዝሰርሐ ሰብ ዝፈልጠሉ ኤሌክትሮኒካዊ መሳርሒ (ankle tag) ንክገጥመሉ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተወሰደ ንመንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣፍሊጦም'ዮም ኢሉ። \"ኣብ ዝቕፅሉ ሰዓታት ናብ ገዝኡ ክምለስ ነተስፉ። ሞራድ ጣህባዝ ሰለስተ ዜግነት ስለዘለዎ፡ ብቐዋምነት ንክፍታሕ ምስ ኣሜሪካ ብቕርበት ንሰርሕ ኣለና\" ኢሉ። ሞራድ ጣህባዝ፡ መንግስቲ ኢራን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2018 ኣብ ልዕሊ ነጠፍቲ ስነ ከባቢ ስጉምቲ ኣብ ዝወስደሉ እዋን'ዩ ተኣሲሩ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣባል ፋውንዴሽን ውርሻ እንስሳ ዘገዳም ፐርሺያ ዝነበረ ሞራድ፡ ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ዓሌታት ብካሜርኡ ይከታተል ከምዝነበረ ይገልፅ። ኣብ 2018 ወርሒ ጥቅምቲ ድማ ኣብ ኢራን በቲ ዝለዓለን ብሞት ዘቕፅዕን ገበን (corruption on earth) ተኸሲሱ ነይሩ፤ ደሓር ግና እቲ ክሲ 'ምስ ተፃባኢት ሃገር ኣሜሪካ' ይተሓባበር ነይሩ ናብ ዝብል ተቐይሩ። ኣብቲ እዋን ካልኦት ሰለስተ ሰባት'ውን ብገበን ስለላ ዝተኸሰሱ እንትኾኑ፡ ካልእ ራብዓይ ተኸሳሲ ድማ 'ኣንፃር ሃገራዊ ድሕንነት' ሰሪሑ ዝብል ክሲ ቀሪብሉ። ኩሎም ብመንግስቲ ኢራን ዝተኸሰሱ ነጠፍቲ ግና ነቲ ዝቐረበሎም ክሲ ከምዝነፀግዎ ይዝከር።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60804972"} {"headline":"ኣብ ኢራንን ስዑድ ዓረብን ቍጽሪ ብሞት ዝቕጽዑ ሰባት ወሲኹ- ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል","content":"ኣብ 2021 ክልከላታት ኮቪድ-19 ምምሕያሾም ስዒቡ፡ ኣብ ሃገራት ዒራቕን ስዑድ ዓረብን ቍጽሪ ብሞት ዝቕጽዑ ሰባት ብዘሰምብድ ከም ዝወሰኸ ጸብጻብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ገሊጹ። ጸብጻብ እቲ ተሓላቒ መሰላት ከምዝሕብሮ ኣብ 18 ሃገራት ብሓፈሻ 579 ሰባት ብሞት ዝተቐጽዑ ኰይኖም፡ እቲ ኣሃዝ ካብቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝነበሮ ብ 20 ሚእታዊት ዝወሰኸ እዩ። ኢራን ድማ ዝለዓለ ወሰኽ ዝተርኣየላ እያ፤ 314 ሰባት ንሕልፈት ዝፈረደት ኰይና፡ ኣብ 2020 ግን 246 ሰባት እዮም ነይሮም። ስዑድ ዓረብ ብወገና ን65 ሰባት ንሕልፈት ክትፈርድ እንከላ፡ እቲ ቍጽሪ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብዕጽፊ ወሲኹ። እንተኾነ እቲ ብደረጃ ዓለም ዝተመዝገበ ቍጽሪ፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ምምዝጋብ ካብ ዝጀመረሉ 2010 ኣብቶም ዝወሓዱ ዝምደብ እዩ። ከምቶም ኣቕዲሞም ዝነበሩ ጸብጻባት፡ እቲ ናይ ሎሚ ዓመት'ውን ንቻይና ዝሓውስ ኣይኮነን። እታ ሃገር በብዓመቱ ብኣሻሓት ዝቝጸሩ ሰባት ብሞት ከምእትቐጽዕ ዝፍለጥ'ኳ እንተኾነ፡ ቅጽዓት ሞት ከም ሃገራዊ ምስጢር እያ ትቘጽሮ። ኣብተን ብተመሳሳሊ መቕጻዕቲ ሞት ብምስጢር ዝሕዛ ሃገራት ሰሜን ኮርያን ቬትናምን ዝተፈጸመ እውን ከረጋግጾ ከምዘይከኣለ እዩ ኣምነስቲ ኣብ ጽብጻቡ ጠቒሱ ዘሎ። እቲ ተሓላቒ መሰላት ነቲ ካብ 2017 ክሳብ 2021 ብሓሙሽተ ዕጽፊ ዝወሰኸ መቕጻዕቲ ሕልፈት፡ ኣብ ኢራን ምስ ዘይሕጋዊ ተጠቃምነት ሓሽሽ ዝተታሓሓዘ ከምዝኾነ ገሊጹ። ኣምነስቲ፡ ኮነ ኢልካ ምስ ዝፍጽም ገበናት ዝተሓሓዝ እንተዘይኮይኑ፡ ካብኡ ወጻኢ ዝወሃብ ናይ ሞት ፍርዲ \"ጥሕሰት ዓለምለኻዊ ሕጊ\" ከምዝኾነ እዩ ዝሕብር። ኣብ ስዑድ ዓረብ ተመሳሳሊ ቅጽዓት፡ ኣብ 2021 ብ 140 ሚእታዊት ከምዝወሰኸ ዝገልጽ እቲ ተሓላቒ መሰላት፡ ነቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2022 ኣብ ሓደ መዓልቲ 81 ሰባት ብሞት ዝተቐጽዕሉ ዘሕዝን ክስተት መበገሲ ኮይኑ እዩ ኢሉ። ብዝሒ ንሕልፈት ዝፍረዱ ሰባት ኣብ ሃገራት ሶማልያ (ኣብ 2011 ካብ ዝነበሮ 11 ናብ 21)፣ ደቡብ ሱዳን (ካብ 2 ናብ 9)፣ ኣብ የመን (ካብ 5 ናብ 14) ወሲኾም እዮም። ብተወሳኺ፡ ምፍኳስ ክልከላታት ኮቪድ ዳያኑ 56 ሃገራት ኣብ 2052 ሰባት መቕጻዕቲ ሞት ክፈርዱ ከምዝገበሮም ዝሓበረ ኰይኑ ካብቲ ኣብ 2020 ዝነበሮ ብ 40 ሚእታዊት ከምዝወሰኸ ተገሊጹ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61575236"} {"headline":"ባይደን፡ ኢራን ኣጽዋር ኑክሌር ከይትውንን 'ኣሜሪካ ሓይሊ ክትጥቀም ድልውቲ እያ'","content":"ፕረዝደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ኢራን ኣፅዋር ኒዩኵለር ንከይትውንን፡ ኣሜሪካ ዘለዋ \"ዝዀነ ሃገራዊ ሓይሊ ንምጥቃም ድልውቲ እያ” ክብል ተሓንዩ። ኣብ እስራኤል ንካልኣይ መዓልቲ ምብፃሕ የካይድ ዘሎ ባይደን፡ ምስ ቀደማይ ሚኒስትር እስራኤል ያይር ላፒድ ኣብ ዝገበሮ ዘተ እዩ፡ ነዚ ኣዋጅ ወግዓዊ ገይሩ። እስራኤል፡ ንመደብ ኒዩኵሌር ኢራን ቀንዲ ስግኣት ደሕንነት ገይራ እያ ትርእዮ፤ ኢራን ግና እተማዕብሎ ኒዩኵሌር ንልምዓት ከምትጥቀመሉ እያ ትገልፅ። ፕረዝደንት ባይደን ካብ እስራኤል ቀፂሉ፡ ኣካትዓይ ምብፃሕ ኣብ ስዑድ ዓረብ ቅድሚ ምክያዱ፡ ፅባሕ ዓርቢ ምስ ሰብመዚ ፍልስጤም ክዛተ ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ። ባይደን ኣብዚ ምብፃሕ፡ ኣሜሪካ፡ ኣብ ማዕኸላይ ምብራቕ ቀንዲ ፈታዊታ ምስ ዝኾነት እስራኤል ዘለዋ ርክብ ዝያዳ ንምጉልባት ዘኽእል ሰነድ ምድላው ይዝረብ። ጆ ባይደን፡ “ኢራን ከም ሂዝቦላሕ፣ ሓማስን እስላማዊ ጂሃድን ዝኣመሰሉ ጉጅለታት ግብረ-ራዕዲ” ብምጥቃም ትፍፅሞ ንዘላ “መጥቃዕትን ሰላም ናይ ምዝራግን ምንቅስቓስ ንምግጣም፡ ምስ መሻርኽትና ክንሰርሕ ኢና” ክብል ተዛሪቡ። እስራኤልን ኣሜሪካን፡ ንኢራን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕን ካልኦትን ንግብረ-ራዕዳውያን ትድግፍ እያ ብምባል ይኸስኣ። ኢራን ኣብ ሊባኖስ ንዝርከብ ሂዝቦላሕ፣ ንፍልስጤማዊ ሓማስን ኣብ ወሽመጥ ጋዛን ንዝንቀሳቐሱ እስላማዊ ጂሃድን ናይ ገንዘብ ሓገዝ ትገብር ተባሂላ ትኽሰስ። እንተዀነ፡ ኢራን ነቲ ንግብረ ራዕዳውያን ትድግፍ ዝብል ክሲ ኣይትቕበሎን፤ እኳ ድኣስ እቶም ትድግፎም ጉጅለታት፡ ብኣሜሪካን ብእስራኤልን ንዝፍፀሙ ወራራት ዝከላኸሉ እዮም ዝብል ቅዋም ኣለዋ። ኢራን ብተሳልጦ ዘላ ፕሮግራም ኒዩኵሌር ምኽንያት ንነዊሕ ግዘ ምስ ኣሜሪካን ሃገራት ምዕራብን ክትፋጠጥ እያ ፀኒሓ። ዋላ እኳ እትገብሮ ዘላ ምምዕባል ዩራንየም ንሰላማዊ ዕላማ ከምዝውዕል እንተገለፀት፡ ንምዕራባውያንን ንዓለምለኸ ተቖፃፃሪ ኒዩኵሌር ክተእምን ኣይከኣለትን። ባይደን እቲ ቅድሚ ሕዚ ብፕረዝደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ውድቂ ዝኾነ ስምምዕ ብምስሓብ፡ተረርቲ ሓሳባት ተወሲኽዎ ተግባራዊ ክኸውን ዝብል ሓሳብ ኣለዎ። እስራኤል ድማ ዘድልይ ሓይሊ ኩሉ ብምጥቃም፡ መደብ ኒዩኵሌር ኢራን ሙሉእ ብሙሉእ ደው ክብል ኣለዎ ኢላ ትኣምን። ቻነል 12 ምስ ዝበሃል ናይ እስራኤል ተሌቬዥን ቃለ መሕተት ዘካየደ ባይደን፡ “ናይ መወዳእታ ኣማራፂ ኮይኑ እንተቐሪቡ፡ ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓይሊ ክትጥቀም ድልውቲ እያ” ኢሉ። ፅባሕ ዓርቢ ድማ ባይደን ናብታ ብወራር ዝተትሓዘት ዌስት ባንክ ብምኻድ ኣብ ቤተልሄም ምስ ፕረዝደንት ፍልስጤም ማሕሙድ ኣባስ ተራኺቡ ክዝቲ እዩ። ፕረዝደንት ባይደን ኣብቲ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ የካይዶ ዘሎ ምብፃሕ፡ ናብ ስዑድ ዓረብ ዝገብሮ ጉዕዞ ኣቓልቦ ስሒቡ ይርከብ። ስዑድ ዓረብ፡ ብሰንኪ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰል፡ ምስ ኣብ ኣሜሪካ ይዋጠጣ እየን። ኣብ መጻኢ ቀዳም፡ ምስቲ ኣብ ቅትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ፡  ኢድ ኣለዎ ተባሂሉ ዝኽሰስ ልኡል ሞሓመድ ሳልማን ዝገብሮ ዘተ ድማ ብኣግኡ ወቐሳታት ኣስዒብሉ ኣሎ። ጆ ባይደን ካብ እስራኤል ናብ ስዑድ ዓረብ ብቀጥታ ዝበረረ ፈለማይ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ክኸውን እዩ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c6p3y153w61o"} {"headline":"ኣብ ኢራን ኣብ ገዛ ዝተጾምቀ ኣልኮላዊ መስተ ዝሰተዩ ሸሞንተ ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ኢራናዊት ከተማ ባንዳር ኣባስ፡ ኣብ ገዛ ዝተጾምቀ ብኩል ኣልኮላዊ መስተ ዝሰተዩ ሸሞንተ ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ገሊጸን፡፡ ብተመሳሳሊ ካልኦት 51 ሰባት ብኣልኮላዊ ምምራዝ ናብ ሆስፒታል ከምዝኣተዉ ሰብመዚ ጥዕና ኣፍሊጦም፡፡ ካብዚኦም እቶም 17 ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ሕሙማት ክንክን ዝግበረሎም ዘሎ ኮይኑ፡ እቶም 30 ሕጽበት ኩላሊት(ዳያሊስስ) ይግበረሎም ከምዘሎ እቶም ሰብ መዚ ሓቢሮም፡፡ ፖሊስ ብወገኑ ነቲ ኣልላዊ መስተ ብምፍራይን ብምክፍፋልን ዝተጠርጠሩ ሸሞንተ ሰባት ኣሲረ ኢሉ፡፡ ብእስላማዊ ሕጊ ኣብ እትመሓደር ኢራን፡ ካብ ውሑዳት ሰዓብቲ ካልኦት ሃይማኖታት ወጻኢ፡ ኣልኮላዊ መስተ ምፍራይ፣ ምሻጥን ምስታይን ብጥቡቕ ዝተኸልከለ እዩ፡፡ ኣልላዊ መስተ ክጥቀም ዝተረኸበ ሰብ ድማ 80 ግዘ ብሓለንጊ ይግረፍ፡፡ ኣመሓደርቲ ከተማ ባንዳር ኣባስ፡ ዛጊድ እቲ ንሕለፈት እቶም ሰባት ምኽንያት ዝኾነ ኣብቲ ኣልላዊ መስተ ዝኣተወ ባእታ ኣይፈለጡዎን፡፡ ኣብ ቀረባ ዓመታት ግና ንሞት ዝዳርግ መጠን ‘መታኖል’ ዝተባህለ ባእታ ዝኣተዎ ኣልኮላዊ መስተ ዝሰተዩ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኢራናውያን ሞይቶም እዮም፡፡ መታኖል ነዳድን ካልኦት ኣሕቐቕትን ከይረግኡ ንምግባር ዝጠቅም ኮይኑ፡ ኣፍረይቲ ዘይሕጋዊ ኣልኮላዊ መስተ ግና መጠን ኣልኮል ንምውሳኽ ይሓውስዎ፡፡ እቲ ባእታ ዋላ ብንእሽቶ መጠን እንተተወሲዱ፡ ዑረትን (ምዕዋር ዓይኒ) ሞትን ከስዕብ ይኽእል እዩ፡፡ ኣብ ምጅማር ለበዳ ኮረና ቫይረስ፡ ኣልኮላዊ መስተ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ይሕግዝ እዩ ብዝብል ግጉይ እምነት፡ ቁጽሪ ኣብ ኢራን ብሜታኖል ዝምረዙ ሰባት ወሲኹ ነይሩ፡፡ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣብ ሚያዝያ 2020፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ ብምምራዝ 500 ሰባት እንትሞቱ 5000 ሽሕ ድማ ናብ ሕክምና ምእታዎም ገሊጹ ነይሩ፡፡","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61310795"} {"headline":"ብስለያ ተጠርጢሮም ብኢራን ተኣሲሮም ዝጸንሑ ክልተ ብሪጣንያውያን ተፈቲሖም","content":"ብሪጣንያውያን-ኢራናውያን ናዛኒን ዛጋራ ራትክሊፍን ኣኖሸህ ኣሾሪን ካብ ኢራን ናጻ ምስ ወጽኡ ናብ ዓባይ-ብሪጣንያ ኣትዮም። ዛግሪ-ራትክሊፍ ናብ ሰብኣያን ጓል ሸውዓተ ዓመት ገብርኤላ ክትምለስ እያ፤ ጓላ ድማ ንወላዲታ ነቲ ሓድሽ መጻወቲኣ ክተርእያ እያ። ሪቻርድ ራትክሊፍ፡ እምነ መኣዝን ስድራ ቤቱ ናዛኒን ናብ ስድርኣ ትምለስ ብምህላዋ ስድራ ቤቱ ዳግም ከትህነጽን ምፍታሓ መጀመርታ ሓዲሽ ህይወት ከምዝኸውን ገሊጹ። ብተወሳኺ እቶም ንናዛኒን ድሕሪ \"ሓሙሽተ ዓመት\" ክልከላ ናብ ዓባይ-ብሪጣንያ ናብ ስድራኣን ሓዳራን ንክትምለስ ዝሰርሑ ኩሎም ዝምልከቶም ኣመስጊኑ። ካልእ ሞራድ ጣህባዝ ዝተባህለ ኢራናዊ - እንግሊዛዊ -ኣመሪካዊ ዜግነት ዘለዎ እውን ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሑ ኣሎ። ይኹን እምበር ገና ካብ ኢራን ንክወጽእ ኣይተፈቕደሉን ዘሎ። ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ሊዝ ትሩስ ኣብ ሃውስ ኦፍ ኮሞንስ፡ ንሚስ ባግካሪ-ራትክሊፍ፡ ዛግሪ ራትክሊፍ፡ ጣህባዝን ስድራ ቤቶምን፡ ነቲ ጭንቅን ስቓይን ንኽንድዚ ዝኣክል እዋን ምጽዋሮም \"ዘደንቕ ቈራጽነት\" እዩ ክትብል ገሊጻ። ሚስ ትሩስ፡ ምኒስተራት፡ ታህባዝ ንክፍታሕ ብጽኑዕ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ገሊጻ ። መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ካብ 1970ታት ንኢራን ዝሃበታ ናይ ኣስታት 400 ሚልዮን ፓውንድ ዕዳ ከምዝሓደገትላን እቲ ገንዘብ ግን ኣብ ሰብኣዊ መዓላ ጥራይ ከምዝውዕልን ሓቢሩ። ናይ ዛግሪ-ራትክሊፍ ኣባል ባይቶ፡ ኣብ ሃውስ ኦፍ ኮመንስ ቀሪቡ፡ \"ንናዛኒን፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት እንቋዕ ብደሓን ንገዛኺ መጻእኪ ክብላ እኽእል እየ። ን ገብርኤላ ጓላ ድማ፡ ሎሚ ማማኺ ናይ ብሓቂ ንገዛ ትመጽእ ኣላ ክብላ እደሊ” ኢላ። ከምኡ ክትብል እንከላ ከኣ ሲዲቕ ምስ ገብሪኤላ ጓሉ ኣብ ህዝባዊ ጋለሪ ኰይኑ ይዕዘብ ነበረ። ራትክሊፍ፡ ሰበይቱ ናጻ ንክትወጽእ ንዝገብሮ ኩለንተናዊ ጻዕሪ፡ \"ንሰብኡት ልዑል ቦታ ሂበዮም ኣለኹ” ክብ ኣቢልዎም ኣሎ። ዛግካሪ-ራትክሊፍ ንመንግስቲ ኢራን ንምዕላው ውዲት ኣሊማ ብዝብል ክሲ፡ ካብ 2016 ኣትሒዛ ኣብ ኢራን ተታሒዛ ጸኒሓ። አሾሪ እውን ብ2017 ብስለያ ተኸሲሱ እዩ ኣብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ - ንሱ ግን ነቲ ክሲ ኣይቅበሎን እዩ። ራትክሊፍ ንጓሉ ገብርኤላ እናሳለያ፡ ነቶም ጋዜጠኛታት \"ንማማኣ\" ምስ ረኣዩ እቲ ዜና ናይ ብሓቂ ከም ዝኾነ ከምዝኣምኑ ነጊሩዎም። ንሱ፡ ንኹሎም እቶም በዓልቲ ቤቱ ንክትፍታሕ ኣብ መላእ ዓለም ላዕልን ታሕትን ዝበሉን ነቲ ዓሚ ጥቅምቲ ዝተገብረ ምሕሳም መግቢ ዝደገፉን ኩሎም ከምዘመስግኖምን ሓቢሩ። \"ብእተወሰነ መዳይ ሕሱም ተመክሮ እኳ እንተ ኣሕለፍና ፡ ለውሃትን ሓልዮትን እውን የጋጥመና እዩ። \"እዚ ከኣ ኣብ ህይወትና ሓደ ካብቲ ብዙሕ ምዕራፋት ክኸውን እዩ\" ኢሉ። ኣባላት ፓርላማ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሃውስ ኦፍ ኮሞንስ ክዛረቡ ድሕሪ ምስማዕ፡ \"ንሕክምናዊ ምርመራን ካልእ ጉዳያትን ንምስላጥ ንእተወሰነ መዓልትታት ጽሞና ከድልየና እዩ\" ኢሉ። ናብ ገዝኦም ምስ ተመልሱ፡ ፈለማ በዓልቲ ቤቱ ክትገብሮ ዝደልዮ ነገር፡ \" ሻሂና ኣፍሊሕና ኣብ ሶፋ ብሓባር ኮፍ ክንብል ኢና” ድሕሪ ምባል፡ \"ዳሕራይ ኣብ ከባቢና ዘወርወር ኢልና ናብ ንቡር ናብራና ክንምለስ ኢና ንጽበ” ኢሉ። ኣብ ትሕቲ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝጸንሐት ዛግካሪ-ራትክሊፍ ኣብዚ ሰሙን እዚ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ፓስፖርት ተዋሂባ። በዓልቲ ቤት ሸሪ ኢዛዲ፡ ኣሽሮሪ ነቲ ዘጋጠሞ ጸበባ ረሲዑ ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ህይወቱ ክምለስ ከም ዝቘረጸ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ገሊጻ። ንሳ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ተመልሰ ልዕሊ ኩሉ ንስድራ-ቤቱን ፓይንት ቢራኡን ክሓቁፍ ብሃንቀውታ ከም ዝጽበዮ ገሊጻ ። ዛጋሪ ራትክሊፍን ሚስተር ኣሾሪን ካብ ቴህራን ናብ ርእሲ ከተማ ዖማን በሪሮም ኣለው፤ ካብኡ ከኣ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ክኣትው እዮም። ብረቡዕ ምሸት ሚስ ሳዲቕ ኣብ ናይ ትዊተር ገጻ ናይ መጨረሻ ስጉምቲ እግሪ መገሻ ዛግካሪ-ራትክሊፍ ለጢፋ። ኣንቶንዮ ዛፑላ፡ ዋና ኣካያዲ እቲ ዛግሃሪ-ራትክሊፍ ከም ኣካያዲ ስራሕ ፕሮጀክት ዝዓየሉ ቶምሰን ሮይተርስ ፋውንደሽን ፡ ናዛሊን ካብ ቤት ማእሰርቲ ከም እተፈትሐት ምስ ሰምዐ፡ ሰራሕተኛታቱ ኣዝዮም ከምዝተሓጎሱ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመት ፡ \"ናጽነታ ተኸልኪላ፡ ካብ ሰብኣያን ህጻን ጓላን ተፈልያ፡ ከቢድ ሕማም ሓሚማ፡ ንበይና ተኣሲራ አሕሊፋቶ። ኰይኑ ግን ሕጂ ዓለም ብዜናታት ኵናት ኣብ እትናወጸሉ ዘላ እዋን ካብ ማእሰርቲ ምፍታሓ ናይ ተስፋ ጩራ እዩ ክብል ተዛሪቡ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን፡ ዛግካሪ-ራትክሊፍን ኣሽሮሪን ናጻ ወጺኦም ናብ ስድራ ቤቶም ብምምላሶም ንኹሉ \"ባህ ዘብል\" ከም ዝዀነ ገሊጹ ። መንግስቲ ኢንግሊዝ ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ኢራን ኣብ 1970ታት ንዝነበራ ናይ 1,500 ዝዀና ታንክታት ናይ 393.8 ሚልዮን ፓውንድ ዕዳ፡ ምስ ማእሰርቲ ዛግሪ-ራትክሊፍን ከምዘይተኣሳሰር እኳ ክገልጽ እንተጸንሐ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሆሴን ኣሚር-ዓብዶላህያን እቲ ምስራዝ ዕዳ ምስ ምፍታሕ ፡ ዛግሃሪ-ራትክሊፍን ኣኖሸህን ክተኣሰሳሰር የብሉን። ናይዞም ሰባት ምፍታሕ \"ሰብኣዊ መሰረት\" ዝገበረ እዩ ክብል ሓቢሩ። መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ምልቃቕ ናይዞም ናይ ኢራንን ብሪጣንያን ዜግነት ዘለዎም ክልተ ሰባት ምስ ምስራዝ እቲ ዕዳ ምትእስሳሩ \"ጌጋ\" ምዃኑ ገሊጹ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60775811"} {"headline":"ኢራን ኣብ መጥቃዕቲ ሳልማን ራሽዲ ኢድ ከምዘይብላ ገሊጻ","content":"ኢራን ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ልዕሊ ሳልማን ራሽዲ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካራ “ኢድ የብለይን” ኢላ። በቲ መጥቃዕቲ ቀንዲ ተሓተትቲ ደራሲ ሳልማንን ደገፍቱን እዮም ኢላ። እቲ ወዲ 75 ዓመት ደራሲ፡ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ መድረኽ እንከሎ እዩ ብኻራ ተወጊኡ። ሳልማን ራሽዲ ኣብ ሕክምና ብዝተገብረሉ ክንክን ከተንፍስ ጀሚሩ ምህላው ተሓቢሩ’ሎ። ሳልማን ራሽዲ፡ ኣብ 1988 ‘ዘ ሳታኒክ ቨርስ’ ዝተባህለት ንሃይማኖት ምስልምና ብኣሉታ ትትንክፍ መጽሐፉ ድሕሪ ምሕታሙ እዩ ምፍርራሕ ቅትለት ክወርዶ ጸኒሑ። ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ መራኸቢ ብዙሃን ኢራን፡ ሳልማን ራሽዲ ብኻራ ምውግኡ ከም ዘሐጐሰን ምግላጸን “ዘሕፍር እዩ” ኢሉ። 'ደይሊ ጃሚ ጃም' ዝተባህለት ተለቪዥን ኢራን እቲ ደራሲ ድሕሪ እቲ ዘጋጠሞ መጥቃዕቲ ዓይኑ ክጠፍእ ይኽእል እዩ ዝብል ጸብጻብ ምስ ወጽአ፡ “እቲ ሰይጣን ዓይኑ ጠፊኡ” ክትብል ጸብጺባ። ሳልማን ራሽዲ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ መጥቃዕቲ ምስ ኣጋጠሞ ኣብቲ ስርሒት ምናልባት ኢራን ክትህሉ ትኽእል እያ ዝብል ጥርጣረ ኣሕዲሩ እዩ። መንፈሳዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ኾመይኒ፡ ቅድሚ 30 ዓመት ንሳልማን ራሽዲ ንዝቐተለ ሰብ ኣስታት 3 ሚልዮን ዶላር ሽልማት ገንዘብ ሽልማት ንኽህብ መብጽዓ ምእታዉ ኣይርሳዕን’ዩ። ይዅን እምበር ወሃቢ ቃል ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ ናስር ካናኒ “ምስቲ መጥቃዕቲ ዘራኽብ ስለዘይብልና ማንም ንኢራን ክወቅስ ኣይግባእን”ኢሉ። “ተሓተትቲ ናይቲ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ሳልማን ራሽዲ ባዕሉን ደገፍቱን እዮም። ነቲ ቅዱስ ናይ እስልምና ትምህርቲ ብምንእኣስ ቀይሕ መስመር ስለዝሓለፈ፡ ን 1.5 ቢሊዮን ሰዓብቲ እቲ ሃይማኖትን ተኸተልቱን ኣቐይሙ እዩ። ቁጠዐ ህዝቢ ዘለዓዓለ ባዕሉ ሳልማን ራሽዲ እዩ፡” ክብል ገሊጹ። ወሃቢ ቃል ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ብወገኑ፡ ሳልማን ራሽዲ ንዘጋጠሞ መጥቃዕቲ ተሓተትቲ ምድላይ “ትርጕም ኣልቦ እዩ” ኢሉ። “እቲ መጥቃዕቲ ኣብቲ ደራሲ ጥራሕ ዘይኮነ ሓሳብካ ብነጻነት ኣብ ምግላጽ ዘነጻጸረ ስጉምቲ እዩ” ክብል ወሲኹ ኣረዲኡ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ አሜሪካ አንቶኒ ብሊንከን፡ እቲ ደራሲ ዓለምለኻዊ ሓሳብካ ብነጻነት ናይ ምግላጽ ተምሳሌት እዩ ኢሉ። “[ሳልማን] ንነጻነት ሓሳብካ ብነጻነት ምግላጽ፡ ንሃይማኖት፡ ንእምነት፡ ንመራኸቢ ብዙሓን ተቓሊሱ እዩ። ኢራን ከኣ ንዓመታት ኣብ ልዕሊ እቲ ደራሲ መጥቃዕቲ ንኽፍጸም ከተለዓዕል ጸኒሓ እያ” ኢሉ። “አሜሪካን መሻርኽታን ከኣ ነቲ ኣተሓሳስባ ንምስዓር ክሰርሑ እዮም” ኢሉ። ወዲ እቲ ደራሲ ብወገኑ፡ ሳልማን ዋላ’ኳ ቅሩብ ጥዕናኡ እንተተመሓየሸ፡ እቲ ዘጋጠሞ መጕዳእቲ ግን ንጥዕናኡ ኣስጋኢ እዩ ኢሉ። ብዘይ ሓገዝ ምስትንፋስ፡ ከተንፍስን “ቅሩብ ክዛረብን” ምኽኣሉ ዘሐጕስ ዜና ምዃኑ ቤተሰቡ ገሊጾም። ወኪል እቲ ደራሲ፡ ሳልማን፡ ኣብ ቅልጽሙ መጕዳእቲ ነርቭ፡ ኣብ ጸላም ከብዱ ሓያል ማህረምቲ፡ ከምኡ እውን ዓይኑ ክጠፍእ ይኽእል እዩ፡ ዝብል ስግኣት ከምዘሎ ገሊጹ ኣሎ። ሃዲ ማቴር ዝተባህለ ወዲ 24 ዓመት መንእሰይ ንሳልማን ራሽዲ ብኻራ ብምውጋእ ብፈተነ ቕትለት ተጠርጢሩ ተታሒዙ ክሲ ቀሪቡዎ ኣሎ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c19m2x391eyo"} {"headline":"ቢቢሲ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ጋዜኛታት ቢቢሲ ምስርጣይ ትፍጽም ኣላ ብምባል ቢቢሲ ጠሪዑ","content":"ኢራን ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ቢቢሲ ፐርሽያን ቤተሰቦምን ምስርጣያት ትፍጽም ኣላ ብምባል ቢቢሲ ናብ ሕቡራት ሃገራት ህጹጽ ጥርዓን ኣብጺሑ። ኢራን ነቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣቢላ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ክትፍጽሞ ዝጸንሐት ዘይሕጋዊ ስርሒታት ሕጂ እናኸፈአ ከምዝኸደ ይግለጽ። ዳይረክተር ቢቢሲ ዎርለድ ሰርቪድ ሊልያን ላንዶር፡ ኣብ ኢራን ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ፡ ንብረቶም ምድስካል፡ ብመርበብ ሓበሬታ ምፍርራሕን ናይ ሞት መጠንቀቕታን ዝርከቦ ሓያለ ምፍርራሓት ከምዝበጽሖም ገሊጻ። ሊልያን ላንዶር ኣብ ኢስቶንያ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ናጽነት ሚድያ ኣብ ዘስምዓቶ መደረ፡ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ብቅልጡፍ 'ደው ክብል ኣለዎ' ኢላ። መንግስቲ ኢራን ንተመሳሳሊ ክስታት ቢቢሲ ክንጽጎ ከምዝጸንሐ ዝዝከር ኮይኑ፡ ብኣንጻሩ ንቢቢሲ ስኑዕ ሓበሬታት ብምዝርጋሕ ንምውዳቕ መንግስቲ ኢራን ይሰርሕ ኣሎ ብምባል'ዩ ዝኸስስ። ቢቢሲ ኒውስ ፐርሽያ ሰሙናዊ ብደረጃ ዓለም ናብ ኣስታት 22 ሚልዮን ሰባት ይከታተልዎ። ካብኦም እቶም 13 ሚልዮን ኢራናውያን'ዮም። ኢራን ንቢቢሲ ኒውስ ፐርሽያ ዝኣገደት ሃገር እንከላ'ያ ኣስታት 13 ሚልዮን ኢራናውያን ንቢቢሲ ኒውስ ፐርሽያ ዝከታተልዎ። ቢቢሲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኢራን ንጋዜጠኛታት ቢቢሲ ኒውስ ፐርሽያን ስድራቤቶምን ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ዕላማ ገይራቶም ምጽናሓ ጠቒሱ። ኢራናውያን ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ንህይወቶም ስለዝፈርሑ ንኢራን ክኣትዉ ከምዘይክእሉን እቶም ኣብ ውሽጢ ኢራን ዝርከቡ ስድራቤቶም ከኣ ናብ ወጻኢ ከይገሹ ተኣጊዶም፡ መርመራታት ይካየደሎምን ይእሰሩን ከምዘለዉ ቢቢሲ ይገልጽ። እቲ ናብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ጥርዓን ናይ ቢቢሲ፡ ምስ ኣባላት ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ኒውስ ፐርሽያ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ብዝተገበረ ቃለ መሕተታት ዝተኣከበ ምዃኑ'ውን ተገሊጹ። ኮሊፎን ጋልመግርን ጀነፈር ሪቢንሶንን ኣባላት ቤት ምኽሪ ቢበሲ ዎርልድ ሰርቪስ ኮይኖም \"ካብ ዝሓለፈ ተግባራት ኢራን ብምምርኳስ፡ ኢራን ንዝቐርቡላ ነቀፌታታት ንምዕባስ ዶብ ሰጊራ'ውን ቀታሊ ስጉምቲ ክትወስድ ትኽእል እያ\" ኢሎም። ብምስዓብ \" ኣብ ቢቢሲ ኒውስ ፐርሽያ ዝርከቡ ሰራሕተኛታትት፡ ጋዜጠኛታት ስለዝኾኑን ስርሖም ይሰርሑ ስለዘለዉን ጥራይ ክሳብ ናይ ሞት መጠንቀቕታ ይበጽሖም ኣሎ፡ ካብዚ ብምብጋስ ሕቡራት ሃገራትን ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላትን ግቡኦም ክፍጽሙ፡ ንኢራን ተሓታቲት ክገብሩን ጋዜጠኛታትና ብዘይ ፍርሒ ስርሖም ንኸካየዱ ኩሉ ዝክኣል ዘበል ክገብሩን ንጽውዕ\" ኢሎም። ኣቐድም ኣቢሉ ዋና ፍሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኢራን ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ብእትገብሮ ዘላ ክሳብ ናይ ሞት ምፍርራሕ ዝበጽሕ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎ ስክፍታ ገሊጹ ነይሩ እዩ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60344055"} {"headline":"\"ጉልባብ ብዝግባእ ኣይገበርክንን\" ዘስዓቦ ተቓውሞ ደቂ ኣንስትዮ ኢራን","content":"ኢራናዊት ማሻ ኣማኒ ጓል 22 ዓመት ኮይና ጉልባብኪ ብዝግባእ ኣይገበርክን ተባሂላ ብፖሊስ ምስተቐየደት ቅሩብ ጸኒሓ ሞይታ። እዚ ዝሰምዓ ደቂ ኣንስትዮ ኢራን ተቖጢዔን ጉልባብ ርእሰን ብሓዊ የቃጽልኦ ኣለዋ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c519w4vkqyxo"} {"headline":"ላዕለዋይ ወተሃደራዊ መኮንን ኢራን ብዘይተፈለጡ ሰባት ተቐቲሉ","content":"ሓደ ኮሎኔል ሰራዊት ሓለዋ ሰውራ ሰራዊት ኢራን መንነቶም ብዘይተፈለጡ ሰባት ኣብ ቴህራን ብጥይት ተቐቲሉ። ኮሎኔል ሳያድ ኾዳይ ብሰንበት ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ኣብ መኪና እንከሎ፡ ብክልተ ኣብ ሞቶርሳይክል ዝተወጥሑ፡ ብረት ዝሓዙ ሰባት፡ ሓሙሽተ ግዜ ብጥይት ከም ዝተሃረመ ተፈሊጡ። ዛጊት ነቲ ቕትለት ሓላፍነት ዝወሰደሉ ኣካል የሎን። ኢራን ነቶም ቀተልቲ ንምህዳን ትንቀሳቐስ ኣላ። ኣብ ኢራን ኣብ 2020 ፍሉጥ ኑክለራዊ ተመራማሪ ድሕሪ ምቕንጻሉ፡ እዚ ናይሕጂ ዝዓበየ ጥሕሰት ጸጥታ እዩ። ካብቲ ቦታ ዝተዘርግሐ ስእልታት፡ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ውሽጢ መኪና፡ መቐነቱ ከይፈትሐ ራዕ ኢሉ የርኢ። ኮሎኔል ኾዳይ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣባላት ናይቲ 'ሓይሊ ቁድስ' ዝበሃል ኣብ ወጻኢ ሃገራት ስርሒታት ዝፍጽም ክንፊ ጉዳያት ወጻኢ ሰራዊት ሓለዋ ሰውራ ኢራን እዩ። እቲ ሓይሊ ንግብረሽበራውያን ጉጅለታት ከም ዝሕግዝን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝፍጸሙ መጥቃዕትታት ተሓታቲ ምዃኑን ኣሜሪካ ትኸስስ። ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ሳዒድ ኻቲብዛደ፡ እቲ ኮሎኔል \"ብናይ ወትሩ ጸላእቲ\" ኢራን ከም ዝተፈጸመ ክገልጽ እንከሎ፡ እዚ ንኣሜሪካን መሻርኽታን ንምጥቃስ ዝጥቀመሉ ምዃኑ ይግለጽ። ሰብመዚ ኢራን ኣቐድም ኣቢሎም፡ ብድሕሪ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ንላዕለዎት ሰብ መዚ ዒላማ ዝገብር ቅንጸላታት፡ እስራኤል ኢድ ኣለዋ ኢሎም ከሲሶም። ዜናታት እቲ ቅንጸላ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ማዕከን ዜና ኢራን ሓለዋ ሰውራ ኢራን መርበብ ሰለይቲ እስራኤል ከም ዝረኸበን ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወን ኣቃሊሑ። እስራኤል ዛጊት ዝሃበቶ ወግዓዊ ምላሽ የሎን። ኾዳይ ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝተቐትለ፡ ካልኣይ፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ 'ሓይሊ ቁድስ' እዩ። ኣብ 2020 ዝሓየለ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኢራን ዝነበረ ጀነራል ቃሲም ሱሌማኒ ብመጥቃዕቲ ኣየር ኣሜሪካ ኣብ ዒራቕ ምቕታሉ ዝዝከር እዩ። ንሱ ኣዛዚ 'ሓይሊ ቁድስ' ብምዃን ንወተሃደራዊ ስርሒታት ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝመርሕ ዝነበረ ኮይኑ ሞቱ ኣብ ሞንጎ ቴህራንን ዋሽንግተንን ንዝነበረ ወጥሪ ዘጋደደ ቀንዲ ጠንቂ ኮይኑ እዩ። ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ኑክሌራዊ ተመራማሪ ሞሕሰን ፋክሪዛደ ኣብ ቴህራን ተቐንጺሉ። ኣብ ፕሮግራም ኑክሌር ኢራን ኣገዳሲ ተራ ዝነበሮ ፋክሪዛደ ብርክት ብዝበሉ ሓለውቲ እዩ ዝሕሎ ኔሩ። መንግስቲ ኢራን ግና ኑክለራዊ መደባቱ ምሉእ ብምሉእ ንሰላማዊ መዓላ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። እስራኤል ነቲ ተመራማሪ ንምቕንጻል ብርሑቕ ቁጽጽር ዝግበረሉ መሳርሒ ከም ዝተጠቕመት ኢራን ትኸስስ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61547627"} {"headline":"ኢራን፡ ትሕቲ ዕድመ ኰይና ዝተመርዓወት እትርከበን 32 ደቂ ኣንስትዮ ብሞት ቀጺዓ","content":"ሰብ መዚ ኢራን፡ ብረቡዕ ሰለስተ ሰብኡተን ዝቐተላ ደቂ ኣንስትዮ ብሞት ከም ዝቐጽዑ ጕጅለ ተሓላቒ ሰባዊ መሰላት 'ታ ሃገር ገሊጹ። እቲ ጕጅለ ሰባዊ መሰላት ከም ዝብሎ፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ሞንጐ'ተን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ብሞት ዝተቐጽዓ 32 ደቂ ኣንስትዮ እየን። እዚአን፡ ትሕቲ ዕድመ - ጓል 15 ዓመት እንከላ ንዝተመርዓወቶ ሰብኣያ ዝቐተለት ጓል ኣንስተይቲ ትርከበን። ሰብ መዚ እታ ሃገር፡ ኣብዚ ዓመት ክልተ ዕጽፊ ብዝሒ ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት ብሞት ይቐጽዑ ምህላዎም ይእመን። ጕጅለታተ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝሕብርዎ፡ ኢራን ካብ ካልእ ሃገር ብዝተፈለየ ዝያዳ ደቂ ኣንስትዮ ብሞት ትቐጽዕ ኰይና መብዛሕትአን ድማ ሰብኡተን ቀቲለን ብዝብል ገበነኛታት ዝተባህላ እየን። ሶሂላ ኣባዲ፡ ቅድሚ 10 ዓመት ኣቢሉ፡ ጓል 15 ዓመት እንከላ ዝተመርዓወቶ ሰብኣይ ብምቕታል ገበነኛ ስለ ዝተባህለት፡ ብረቡዕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብማሕነቕቲ ከም ዝተቐጽዐት ጕጅለ ሰባዊ መሰላት ኢራን ገሊጹ። ቤት ፍርዲ፡ እታ ውልቀሰብ ነዚ ገበን ዝፈጸመትሉ ምኽንያት፡ “ኣብ ሞንጐ ስድራቤት ዘጋጠመ ግጭት” እዩ ኢሉ። እተን ካልኦት ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ብሞት ዝተቐጽዓ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ’ውን፡ ብቕትለት ሰብኡተን ገበነኛታት ክብሃላ እንከለዋ፡ ብዙሓት ተሓለቕቲ መሰላት ዘቤታዊ ዓመጻት ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ፡ እንተበሉ’ውን ቤት ፍርዲ ነዚ ኣብ ግምት ኣየእትዎን። ሰብ መዚ እታ ሃገር፡ ዝዀነ መቕጻዕቲ ሞት ተፈጻምነት ኣብ ዝረኽበሉ እዋን፡ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ከ ብሞት ተፈሪዶም ዝብል እቲ ልክዕ ቍጽሪ ወግዓዊ ኣይገብሩን። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ክልተ ጕጅለታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘውጽእዎ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መንግስቲ ኢራን ካብ ዝፈጸሞም ቅትለታት፡ እቶም 16.5 ሚእታዊት ጥራይ’ዮም ወግዓዊ ኰይኖም ይብሉ። ኣብዚ ዓመት ክኣ፡ ካብ ካልእ እዋን ብዝተፈለየ ኣብታ ሃገር ዝፍጸም መቕጻዕቲ ሞት ከም ዝወሰኸ ጸብጻባት ይገልጹ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ እታ ሃገር ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ “ዘስካሕክሕ” መቕጻዕታት ሞት ትፍጽም ከም ዘላ ብምግላጽ፡ ኣብ መጀመርታ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 2022 ጥራይ፡ ልዕሊ 250 ሰባት ብሞት ከም ዝቐጽዐት ሓቢሩ። እዚ፡ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ክነጻጸር እንከሎ፡ ብልዕሊ ክልተ ዕጽፊ ዝወሰኸ ምዃኑ ኣብዚ ሰሙን ገሊጹ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/clw4q4w3qp9o"} {"headline":"ኲናት ዩክረይን፡ ፑቲን ኣብ ኢራን ምብጻሕ ኣካይዱ","content":"ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ኢራን ምብጻሕ የካይድ ኣሎ። እዚ ኣብ ለካቲት ንዩክረይን ካብ ዝወርር ኣትሒዙ ንኻልኣይ ግዜ ዝገበሮ ጕዕዞ ወጻኢ ሃገር እዩ። ፑቲን ምስ ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲ ኣብ ቴህራን ተራኸቡ’ሎ። ቀጺሉ ድማ ምስቲ ዝለዓለ መራሒ ኢራንን ምስ ፕረዚደንት ቱርኪ ሪሰፕ ጠይብ ኤርዶጋን ክራኸብ እዩ። ካብቶም ዝዘራረቡሎም ኣርእስታት ሰደድ እኽሊ፡ ጉዳይ ሶርያን ኲናት ዩክረይንን ይርከብዎም። እዚ ምብጻሕ እዚ፡ ምስታ ካብቶም ዝተረፉ ደገፍቱ ዝዀነት ኢራን ዘሎ ርክብ ንምድልዳል ኣጋጣሚ ከምዘኸውን ይግመት። ፑቲን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ፡ ቴህራን ንሩስያ ብኣማኢት ዝቝጸራ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ክትህባ ከምዝዀነት ዝገልጽ ክሲ ስዒቡ እዩ ነዚ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ። ብሰሉስ ጋዝ-ፕሮም ዝበሃል ናይ ሩስያ ገዚፍ ኩባንያ ጸዓት ምስ መንግስታዊ ትካል ነዳዲ ኢራን ናይ 40 ሚልዮን ዶላር ሓድሽ ውዕል ከምዝፈረመ ይዝከር። ፑቲን ምስ ራይሲ ድሕሪ ምርኻቡ ኣብ መንጐ ኢራንን ሩስያን ዘሎ ርክብ፡ \"ብጽቡቕ ፍጥነት ይዓቢ ኣሎ\" ኢሉ። ፕረዚደንት ፑቲን እዘን ክልተ ሃገራት ከም ዓለምለኸ ድሕነት፡ ንግዲ ከምኡ'ውን \"ነቲ ኣብ ሶርያ ዘጋጠመ ቅልውላው ምፍታሕ\" ኣብ ዝኣመሰሉ መዳያት ዘሎ ርክብ የደልድላ ከምዘለዋ ገሊጹ። ቱርኪን ሩስያን ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሶርያን ንተጻረርቲ ወገናት ድጋፍ ሂበን'ኳ እንተነበራ፡ ካብ ቀረባ ኣዋርሕ ጀሚሩ ግን ነዚ ንምንካይ መገድታት ከናድያ ጸኒሐን እየን። እንተዀነ እዚ ዝግበር ዘሎ ዘተ፡ ቱርኪ ኣብ ሰሜናዊ ሶርያ ኣንጻር እቶም ኣሜሪካ እትድግፎም ኩርዳውያን ዕጡቓት ሓድሽ መጥቃዕቲ ከም ትፍኑ ምስገለጸት ኰይኑ፡ ነዚ ስጕምቲ'ዚ ኸኣ ኢራንን ሩስያን ተቓዊመናኦ እየን። እቲ መጥቃዕቲ፡ ኤርዶጋን ኣብ ጥቓ ዶብ ቱርኪ ምስ ሶርያ 20 ኪሎ ሜተር ዘዳውብ ውሑስ ዞባ ንምቛም ዘውጽኦ መደብ እዩ። ዝሓለፈ ሰሙን ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሩስያ ኣብ ፈለማ ነታ ዓለወኛታት ዝቈጻጸርዋ ሶርያ ንሓደ ዓመት ሓገዝ ንኽወሃብ ዝተላዕለ ሕቶ፡ ምስ ተቓወምቲ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝኣክል ዶብ ሰገር ረድኤት ከብጽሓላ ኣብ ውሳነ በጺሑ እዩ። ቱርኪ፡ ፑቲን ብ24 ለካቲት ንዩክረይን ካብ ዝወርር ኣትሒዛ ኣብ ሞስኮ እገዳ ከይግበር ክትቃወም ጸኒሓ'ያ። መንግስቲ ኤርዶጋን ብመንጐኛነት ግደኡ ክጻወት እዩ ድልየቱ። እቲ ኣኼባ፡ ነቲ መራሒ ቱርኪ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ 22 ሚልዮን ቶን እኽሊ ንምልኣኽ፡ ኣብ መንጎ መራሕቲ ሩስያን ዩክረይንን ዝተገብረ ግዜያዊ ስምምዕ ንኸፈጽም ኣጋጣሚ ክኸፍተሉ ይኽእል እዩ። ዝሓለፈ ሰሙን ሚኒስተር ጸጥታ ቱርኪ፡ ክልቲኦም ወገናት ንድሕነት መገዲ መራኽብ እኽሊ ንምርግጋጽ ከም ዝተሰማምዑ ገሊጹ ነይሩ። ኣብ ጸሊም ባሕሪ ዝርከባ መራኽብ ኲናት ሩስያ፡ ዝዀነት መርከብ ክይትኣቱን ከይትወጽእን ይኽልክላ ከም ዘለዋ ይንገር። ቢቢሲ፡ ሓይልታት ሞስኮ እኽሊ ዩክረይን ከምዝሰረቝን ከምዝወሰዱን ዝሕብር ብዙሕ መርትዖታት ሰኒዶም እዮም። ካልኦት መገድታት ድማ ብዙሕ ነተጕቲ ዝተቐበሮም እዮም። ሚስተር ኡሻኮፍ፡ \"ብዛዕባ ምልኣኽ እኽሊ ዩክሬን ምስ ኤርዶጋን ክመያየጥ እዩ። ኣብዚ መገዲ እዚ ዕዮና ንኽንቅጽል ድሉዋት ኢና፡\" ክብል ገሊጹ። እንተዀነ ኣብቲ ኲናት፡ ኣብ ጥቓ ግንባር ዝነበሩ ሰበ-ስልጣንን ሓረስቶትን፡ ሩስያ ደይ መደይ ኢላ ግራውቲ እኽሊ ትድብድብ ኣላ ኢሎም ድሕሪ ምኽሳሶም እዩ እዚ ምብጻሕ ዝካየድ ዘሎ። ኦሌ ፒሊፔንኮ ዝበሃል ኣብ ደቡባዊ ዩክረይን ዝነብርን ቅድሚ ሕጂ ብሩስያ ተኣሲሩ ዝነበረን ፖለቲከኛ፡ ኣብ ጥቓ ደቡባዊት ከተማ ሚኮላይቭ ኣብ ዝርከብ ቦታ ዝነብሩ ሓረስቶት፡ ብቐጻሊ ደብዳብ ይወርዶም ከምዝነበረ ንቢቢሲ ሓቢሩ እዩ። ሓይልታት ሩስያ፡ \"ኣብቲ ግራውቲ፡ ማሽነሪታት ሕርሻ ከምኡ'ውን መጓሰ እኽሊ ደብዳብ ይፍጽሙ ከምዝነበሩ\" ከምኡ'ውን ብዙሓት ሓረስቶት \"ግዳያት ከምዚ ዝኣመሰለ መጥቃዕቲ ከም ዝዀኑን ተዅሲ ከም ዝወረዶምን\" ገሊጹ። ወሲኹ፡ \"ኣዝዩ ሓደገኛ ስለ ዝዀነ ካብ ከተማ ሚኮላይቭ ዝመጹ ክኢላታት መጥፋእቲ ሓዊ ምኻድ የፍርሆም እዩ\" ኢሉ። \"ብዙሕ ሓዊ ብጻዕርና ነጥፍኦ ኣለና። ሕጂ ግን እቲ ደብዳብ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።\"","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c1304gd512ko"} {"headline":"ኢራን ብምንዕዓብ ንዝኸሰሰቶ ጋዜጠኛ ቀንጺላቶ","content":"ኢራን፡ መልእኽቲ ጽሑፍ ዝልኣኸሉ መተግበሪ ብምጥቃም ናዕቢ የለዓዕል ነይሩ ንዝበለቶ ጋዜጠኛ ቀንጺላቶ። ቤት ፍርዲ ብሞት ክቕጻዕ ድሕሪ ዘሕለፎ ውሳነ፡ እዚ ሩሆላህ ዝተባህለ ጋዜጠኛ ሎሚ መዓልቲ ከም ዝተቐትለ ቴሌቪዥን ኢራን ጸብጺቡ። እዚ ብስደት ኣብ ፈረንሳ ዝነበር ዝነበረ ጋዜጠኛ ብኸመይ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ኣይፍለጥን። ዝሓለፈ ዓመት ናብ ኢራን ምስተጉዓዘ ከም ዝተኣስረ ግን ይግለጽ። ጋዜጠኛ ሩሆላህ፡ ኣምድኒውስ ዝተባህለ ኣንጻር መንግስቲ ዝኾነ መርበብ ሓበሬታ ይውንን። ኢራን ድማ፡ ነቶም ካብ 2017 ክሳብ 2018 ኣብታ ሃገር ዝተኻየዱ ተቓውሞታት ብምልዕዓል ነዚ ሚዲያ ትኸሶ። እዚ ኣብ መተግበሪ ቴሌግራም ልዕሊ ሓደ ሚሊየን ሰዓብቲ ዘለውዎ መራኸቢ፡ ሽም ሰበ ስልጣን ኢራን ዘጸልሙን ተቓውሞታት ዘርእዩን ምስሊታት ዘርጊሑ'ዩ። እቲ መተግበሪ ብመንግስቲ ኢራን ክዕጾ እንከሎ፡ ብኻልእ ሽም ዳግም ተኸፊቱ'ዩ። ወዲ መራሒ ሃይማኖት ተሃድሶ መሓመድ ዓሊ ዛም ዝኾነ ጋዜጠኛ ዛም ኣብ መጀምርታ እዚ ዓመት ኣብ ኢራን ኣዝዩ ሓደገኛ ካብ ሞንጎ ዝብሃሉ ክሲታት ሓደ ዝኾነ \"ኣብ ሃገር ብልሽውና\" ብምፍጻም ብዝብል እዩ ተፈሪዱ። እንተኾነ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል እቲ ጋዜጠኛ ግዳይ \"ብኣስገዳድ ዝተፈጸመ ኑዛዘ ዝተመሓላለፈ ዘይፍትሓዊ ውሳነ'ዩ\" ይብል። ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን፡ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ፈረንሳ፡ ውሳነ ቤት ፍርዲ ኢራን \"ንመሰል ሕትመትን ሓሳብካ ብናጽነት ምግላጽን ዝተፈጸመ ከቢድ መጥቃዕቲ'ዩ\" ብምባል ከም ዝኾነኖ ሮይተርስ ጸብጺቡ እዩ። ድሕሪ እቲ ብ2009 ዝተኻየደ ኣካታዒ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ዝተኣሰረ ጋዜጠኛ ዛም፡ ፈረንሳ ዕቑባ ሂባቶ ጸኒሓ'ያ። ቅድም ኢሉ ጉጅለ ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ዛም ንምእሳር \"ዘመናዊ ሜላታት ስለላን ምህዞታትን\" ከም ዝተጠቕመ ገሊጹ እዩ። ብተወሳኺ፡ ዛም ብኣግልግሎት ስለላ ፈረንሳ፣ እስራኤን ኣመሪካን እናተመርሐን \"ሓለዋ እናተገብረሉን\" እዩ ነይሩ ኢሉ። ከም ጸብጻብ ኤፒ ድማ፡ ዛም ብቴሌቪዥን ቐሪቡ ፈጺምካዮ ንዝተባህለ ጥፍኣት ይቕሬታ ሓቲቱ'ዩ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/55270865"} {"headline":"ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ሓደ መርዓ ተረኺቡ 'ናፊቕኹምኒ'ዶ?' ኢሉ","content":"ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ፍሎሪዳ ማር-ኣ-ላጎ ኣብ ዝተባህለ ሪዞርት ዝነበረ መርዓ ዝተረኸበ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣንጻር ፕሬዝደንት ጆ ባይደን፣ ኢራንን ቻይናን ዘለዎ ተቓውሞ ገሊጹ። ፕሬዝደንት ኣመሪካ ነበር ትራምፕ ብዛዕባ ኣብ ዶብ ሜክሲኮ ዘለው ጉዳያትን ብሕዳር ዝተኻየደ ፕረዝደንታዊ መረጻ እታ ሃገርን ዘለዎ ሕቶታት'ውን ኣልዒሉ። ቐጺሉ \"ናፊቕኹምኒ'ዶ?\" ኢሉ፤ ናይ ደገፍ ድምጺ ከኣ ኣሰኒዩዎ። \"ብዙሓት ጸብጻባት ይሰምዕ'የ፤ ብዛዕባ ዶብ ሜክሲኮ፣ ብዛዕባ ቻይናን ኢራንን ይሰምዕ'የ። ስምምዕ ክንገብር ቀሪብና ነይርና። እዚ ሰብኣይ [ባይደን] መጺኡ ግን ኩሎም እገዳታት ክለዓሉ ገይሩ፤ ሕጂ ክንዛተ ኢና ይብል ኣሎ\" ክብል ኣብቲ ብቲኤምዜድ ዝተሓተመ ምስሊ ይስማዕ። ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ግን ዘልዓሎ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተነብረ እገዳ የለን። ምምሕዳር ትራምፕ ኢራን ውዕሊ ምፍራይ ባእታ ኒኩሌር ጥሒሳ'ያ ብዝብል ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እገዳ ከንብር ዘቕረቦ ጠለብ ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ባይደን ክተርፍ ገይሩ'ዩ። ድሕሪ'ዚ፡ ትራምፕ፡ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ደቡባዊ ዶብ ምስ ሜክሲኮ ብዛዕባ ዘሎ ጉዳይ ውሳነ ከሕልፍ ይጽበ ነይሩ። እንተኾነ፡ ባይደን መዝነት ካብ ዝተረከበሉ እዋን ጀሚሩ፡ ብዝሒ ናብ ኣመሪካ ዝኣትው ስደተኛታት ወሲኹ ኣሎ። \"እቲ ዶብ ጽቡቕ ኣይኮነን ዘሎ፤ ካብቲ ዝነበረ ዝኸፍአ ኩነታት'ዩ ዘሎ\" ኢሉ ትራምፕ። ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ካብ 2017 ክሳብ 2018 ኣብ ዘሎ ግዜ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ስድራቤታት ምስ ደቆም ተፈላልዮም'ዮም። ዶናልድ ትራምፕ ቀጺሉ ብዛዕባ እቲ ዝሓለፈ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ዝተዛረበ ኮይኑ፡ \"66 ሚሊዮን ድምጺ ኢኻ ረኺብካ ኢሎምኒ፤ ኣነ ግን 75 ሚሊየን ድምጺ'የ ረኺበ። እንታይ ከም ዝኾነ ከኣ ርኢኹም ኢኹም\" ኢሉ። ፕሬዝደንት ባይደን ልዕሊ 80 ሚሊየን ድምጺ ብምርካብ ኣብቲ መረጻ ከም ዝተዓወተ ይፍለጥ። ኣብ መወዳእታ፡ ዶናልድ ትራምፕ ነቶም ጆንን ሜጋን ኣሪጎን ዝተባህሉ መርዑ \"ምዕሩጋት መጻምዲ\" ኢሉ ኣሞጒሱዎም። ትራምፕ፡ ኣብ 2019'ውን ኣብ ኒው ጀርሲ ኣብ ዝነበረ መርዓ ተረኺቡ \"ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ! ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ!\" ኢሉ ጨሪሑ'ዩ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56567407"} {"headline":"ወዲ 16 ዓመት እንከሎ 'ብዝፈጸሞ ገበን' ኣብ 30 ዓመቱ ብሞት ዝተቐጽዐ ኢራናዊ","content":"ኣብ ኢራን ሓደ ውልቀሰብ ወዲ 16 ዓመት እንከሎ ፈጺምዎ ብዝተባህለ ገበን፡ ድሕሪ ዓመታት ብሞት ተቐጺዑ። ሕቡራት ሃገራት፡ እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ውልቀሰብ ዝተፈጸመ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ግቡእ ከምዘይኮነ ብምግላጽ ተቓውሞኡ ኣስሚዑ ኣሎ። ብመሰረት ሓበሬታ ቤትጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ወዲ 30 ዓመት መሓመድ ሓሰን ረዚ፡ ብቤትፍርዲ ዝተበየነ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ብሓሙስ እዩ ተፈጺሙ። መሓመድ ሓሰን ብስሕለት ንሓደ ሰብኣይ ድሕሪ ምቕታሉ፡ ኣብ 2007 ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ዝገለጸ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብወገኑ፡ መሓመድ ነቲ ገበን ምፍጻሙ በስገዳድ ከም ዝተኣመነ ሓቢሩ። ነቲ ብይን ምፍጻም \"ፍንፉን ጥቕዓት ኣብ ልዕሊ መሰላት ቆልዑ\" ምዃኑ'ውን ኣጠንቂቑ ነይሩ። \"ሓደ ሰብ ትሕቲ ዕድመ እንከሎ ፈጺምዎ ብዝበሃል ገበን፡ ዓመታት ተጸቢኻ ምቕጻዕ፡ ንኹሉ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝጥሕስን ህጻናት ንዝፍጽምዎ ገበን ብሞት ክቕጽዑ የብሎምን ንዝብል ሕጊ ዝጻረርን እዩ\" ኢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ። መቕተልቲ መሓመድ ሓሰን ዝገልጽ ዜና ድሕሪ ምስምዑ፡ ቤትጽሕፈት ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት (ኦ ኤች ሲ ኤች ኣር) ንተግባር ኢራን \"በጽኑዕ ኾኒኑ\"። እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ኢራን ገበን ምፍጻሞም ዝተገለጸ ሰለስተ መንእሰያት ብሞት ከም ዝተቐጽዑ ሓቢሩ። ካልኦት 80 ቆልዑ'ውን ናይ ሞት ፍርዲ ይጽበዩ ኣለው ኢሉ። መሓመድ ሓሰን ናይ ሞት ብይን ምስ ተዋህቦ፡ ንዝሓለፈ 12 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ከሕልፎ እንከሎ፡ ነቲ ገበን ከም ዝፈጸሞ ዝኣመነ ብሰንኪ ዝበጽሖ ምቕጥቓጥን ምስቓይን ምዃኑ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ይገልጽ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55508845"} {"headline":"መርከብ ኣመሪካ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ናብ ጀላቡ ኢራን ናይ መጠንቀቕታ ብረት ቶኵሳ","content":"ኣብ ወሽመጥ ሓርሙዝ፡ ሓንቲ መርከብ ኣመሪካ ናብተን ናብኣ ዝቐረባ ፈጣናት ጀላቡ ኢራን ናይ መጠንቐቅታ ብረት ከም ዝተኮሰት ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ [ፔንታጎን] ኣፍሊጡ። ፔንታጎን፡ 13 ፈጣናት ጀላቡ ኢራን ብሰኑይ ናብታ መርከባ ኣመሪካ ክሳብ 140 ሜትሮ ከም ዝቐረባ ገሊጹ። እተን ጀላቡ ካብ መርከብ ኣመሪካ 30 ናይ መጠንቐቅታ ቶኵሲ ምስ ተተኮሰን ካብቲ ቦታ ከም ዝረሓቓ'ውን ሓቢሩ። እዚ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ንካልኣይ ግዜ ዘጋጥም ዘሎ ክስተት ምዃኑ ተገሊጹ። ወሃቢ ቃል ፔንታጎን ጆን ኪርቢ ፈጣናት ጀላቡ ኢራን ናብ መርከብ ኣመሪካ ብምቕራብ \"ተተናዃሊ ምንቅስቓሳት የርእያ ነይረን\" ብምባል ከሲሱ። እታ መርከብ ናይ ኣመሪካ፡ ንሓንቲ ሚሳኤል እትጽዕን ዩኤስኤስ ጆርጅያ ተባሂላ እትጽዋዕ 'ሳብማሪን' ኣስነያ ትኸይድ ምንባራ'ውን ተሓቢሩ። ጆን ኪርቢ፡ \"ዘይሓላፍነታዊ ተግባር እዩ፤ ከምዚ ዓይነት ምትንዃላት ናብ ሃስያ ከምርሕ ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ ንዋላ ሓደ ዘርብሕ ኣይኮነን\" ኢሉ። ወሽመጥ ሓርሙዝ ኣብ ዞባ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከብ ሓደ ጸቢብ ማያዊ ክፋል ኮይኑ ሓደ ካብ ኣገዳሲ መስመራት መተሓላለፊ መራኽብ እዩ። እዚ መስመር እዚ ኣብ መንጎ ኢራንን ኣመሪካ ትርከበን ሃገራት ምዕራብን ጠንቂ ምስሕሓብ ኮይኑ እዩ ዝርከብ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ'ውን ወተሃደራዊት መርከብ ኣመሪካ ነተን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ወሽመጥ ዓረብ ናብ ጥቕኣ ዝቐረባ መራኽብ ኢራን ናይ መጥንቀቕታ ብረት ቶኲሳትለን ነይራ እያ። እቲ ምትፍናን መርከብ ኣመሪካን ፈጣናት ጀላቡ ኢራንን፡ ምስቲ ኢራን ኒክሎሳዊ ኣጽዋር ንከይተማዕብል ዝቅይድ ሕጊ ንምትራር ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኣብ ዝተጀመረሉ እዩ ኣጋጢሙ። ኣመሪካ ኣብ እዋን መሪሕነት ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብቲ ኣብ 2015 ዝተበጽሐ ንኒክሎሳዊ ምምዕባል ኣጽዋራት ከም ዘንሰሓበት ምስ ገለጸት፡ ኢራን በቲ ኣብ 2015 ዝተበጽሐ ስምምዕ ከም ዘይትቕየድ ኣፍሊጣ ነይራ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኢራን፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተነቢሩ ዘሎ ቁጠባዊ እገዳታት እንተኣልዒልዎ ናብቲ ኣብ 2015 ዝተበጽሐ ስምምዕ ክትምለስ ከም እትኽል እያ ትገልጽ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57067637"} {"headline":"ኢራን ንደቡብ ኮርያዊ መራሒ መርከብን መርከቡን ድሕሪ 3 ኣዋርሕ ፈቲሓቶም","content":"ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ኣብ ኢራን ተሓይሩ ዝጸንሐ ደቡብ ኮርያዊ መራሒ መርከብን እታ ንሱ ዝመርሓ ነዳዲ ትጽዕን መርከብን ከምዝተፈትሑ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኮርያ ሓቢሩ። መንግስቲ ኢራን ነታ ባንዴራ ደቡብ ኮርያ እተንበልብል መርከብን ንመራሒኣ ሃንኩክ ቸሚን ኣብ ሃርሙዝ ዝተብሃለ ስትራተጂካዊ ቦታ ናይ ኢራን፡ ብከላ ከባቢ ፈጢሮም ብዝብል እያ፡ ኢራን ኣብ ወርሒ ጥሪ ቀይዳቶም። ኣብታ መርከብ ዝሰርሑ ዝነበሩ 20 ባሕረኛታት ኣብ ወርሒ ለካቲት ነጻ ክልቀቑ እንከለዉ፡ እታ መርከብን መራሒኣን ግን፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኢራን’ዮም ጸኒሖም። እቲ ክስተት፡ ብሰንኪ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘንበረቶ እገዳ፡ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝርከባ ባንክታት ዝነበረ ናይ ኢራን ሒሳባት ምስ ኣደስከለኦ፡ ኣብ ሞንጎ ኦራንን ደቡብ ኮርያን ወጥሪ ሰፊንሉ ኣብ ዝነበረ እዩ ኣጋጢሙ። መንግስቲ ደቡብ ኮርያ ግን፡ ክልቲኡ ዋላ ሓንቲ ዘተሓሕዝ ከምዘይብሉ እዩ ዝገልጽ። እንተኾነ ምፍታሕ እቲ መራሒ መርከብን መርከቡን፡ ኣብ ሞንጎ ኢራንን ደቡብ ኮርያን ብዛዕባ እቲ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝርከብ 7 ቢልዮን ዶላር ዝኸውን ቅሙጥ ገንዘብ ኢራን ኣመልኪተን ድሕሪ ዝገበረኡ ዘተ’ዩ ዝፍጸም ዘሎ። ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ደቡብ ኮርያ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “እቲ መራሒ መርከብ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ናይ ጥዕና እዩ ዘሎ፡ ኣብታ መርከብ ተጻዒኑ ዝነበረ ንብረት’ውን ዝኾነ ጸገማት የብሉን” ድሕሪ ምባል፡ “እታ መርከብ ኣብ ኢራን ክተማልኦ ዝግብኣ ምምሕዳራዊ መስርሓት ሓሊፋ ካብ ኢራን ወጺኣ ኣላ” ኢሉ። መራሒ ናይታ መርከብ፡ እታ መርከብ ከሚካላት ጽዒና ምንባራ ብምሕባር፡ እቲ ብመንግስቲ ኢራን ዝቐረበሎም ክሲ ነጺግዎ ኣሎ። ኣብታ መርከብ ዓሰርተ ሓደ ተወለድቲ ሚያንማር፣ ሓሙሽተ ደቡብ ኮርያውያን፣ ክልተ ቬትናማውያንን ክልተ ተወለድቲ ኢንዶንዥያን፡ ብሓፈሻ 20 ባሕረኛታትን ሓደ ካፒቴንን እዮም ነይሮም። ኢራን እቲ ምትሓዝ ናይታ መርከብን ምእሳር መራሒኣን፡ ምስ ምድስካል ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝርከብ ሒሳባታ ምትሕሓዝ ከምዘይብሉ እያ ትገልጽ። መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ኢራን ንኒኩለራዊ ውዕላት ጥሒሳ ብምባል፡ ኣብ 2018 ኣብ ልዕሊኣ ቁጠባዊ ማዕቐብ ከምዘንበረት ይዝከር።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56686045"} {"headline":"ኢራን፡ ብውሕዱ 10 ሓዃሮ ብውርጭን መደራጋሕ በረድን ሞይቶም","content":"ኣብ ኢራን፡ ሰሜናዊ ክፈል ርእሰ ከተማ ታህራን ኣብ ዝርከብ ዓቢ ጎቦ ውሕዱ 10 ሓዃሮ ብውርጭን [ጸፍዕን] መደራጋሕ በረድን ከምዝሞቱ ሰብ መዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም። እቲ ኣልቦርዝ ዝተብሃለ ኣብ ሰሙናዊ ክፋል ከተማ ታህራን ዝርከብ ዓቢ ጎቦ፡ ኣልቦርዝብሓዃሮ ኣዝዩ ፍቱው ቦታ ኮይኑ፡ ዓመታዊ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ሰባት እዮም ናብ ዝባኑ ዝድይቡ። ኣብ ዝሓለፈ ቁሩብ መዓልታት ግን ኣብቲ ቦታ ሓደገኛ ዝኾነ ኩነታት ኣየር እዩ ቀንዩ። ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ነቶም ኣብቲ ዓቢ ጎቦ ዝጠፍኡ ሰባት ንምርካብ 20 ጉጅለታት ብምውፋር 14 ካብቶም ሓዃሪ ከድሕን እኳ እንተኸኣለ ብውሕዱ 7 ሰባት ግን ገና ሃለዋቶም ኣይተፈለጠን ዘሎ። እቲ ነቶም ዝጠፍኡ ሰባት ናይ መድላይ መስርሕ ብሰንኪ እቲ ዘሎ ሓደገኛ ዝኾነ ኩነታት ኣየር ቀትሪ ቀትሪ ጥራይ እዩ ክካየድ ቀንዩ፡ ካብ ሎሚ ጀሚሮም ኸኣ እቲ ናይ ምድላይ መስረሕ ደው ከብልዎ እዮም። ካብቶም ዝሞቱ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ መምሃራን ዩኒቨርስትን ዶኳትርን ከምዝርከበንዎም ኸኣ ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ኣፍሊጡ። ብዓርቢ'ውን ካልኦት 100 ዝኾኑ ሓዃሮ ኣብ ዝባን እቲ ጎቦ ኣብ ዝርከብ ቦታ ምስ ብጽሑ እታ ንድሕሪት ትመልሶም ኣብ ገመድ ሸረር ትብል መኪና (ተለፈሪካ) ስለዝተበላሸወት ኣብ ዝባን እቲ ጎቦ ሓዲግ ተሪፎም ምንባሮም ተገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብቲ ብብረድ ዝተሸፈነ ጎቦ ኣልቦርዝ ውርጭን መደራጋሕ በረድን ከጋጥም ከምእኽእልን ክግለጽ ጸኒሑ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ እቶም ሓዃሮ ዝጠፍእሉ ቀንዲ ምኽንያት እቲ መሐበሪ ኣንፈት ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ጂፒኤስ ስለዝተበላሸዎም እዮም ኣንፈት ኣጥፊኦም ዝብል ሓበሬታ'ውን ይቃላሕ ኣሎ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55458053"} {"headline":"ኢራን ኒኩለራዊ ማእከል ናታንዝ 'ውዲታዊ መጥቃዕቲ' ከም ዘጋጠሞ ገሊጻ","content":"ሓደ ማእከል ኒኩሌር ኢራን: ሓድሽ መሳርሒ ምብልጻግ ዩራንየም ከም ዘማዕበለ ድሕሪ ምግላጹ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ \"ብውዲት\" ከም ዝተሃርመ፡ ላዕለዋይ በዓል-መዚ ኒኩለር እታ ሃገር ሓቢሩ። ዓሊ ኣክባር ሳልሕ ብድሕሪ እቲ \"ግብረሽበራዊ\" ዝበሎ መጥቃዕቲ መን ከም ዘሎ ግና ኣየነጸረን። ብምኽንያት እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ደቡባዊ ቴህራን ዝርከብ ማእከል ኒኩለር ናታንዝ ብሰንበት ምቁራጽ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኣጋጢምዎ ነይሩ። ሓደ ሃገራዊ መራኸቢ ብዙሓን እስራኤል ግና ንስለያዊ ምንጭታት ብምጥቃስ፡ እቲ መጥቃዕቲ ውጽኢት ብእስራኤል ዝተኻየደ መጥቃዕቲ-ሳይበር ምዃኑ ገሊጹ። እስራኤል ኣብቲ ጉዳይ ብቐጥታ ምላሽ ኣይሃበትን። ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ግና ብዛዕባ ፕሮግራም ኒኩለር ኢራን እትህቦ መጠንቀቕታታት ክበዝሕ ተራእዩ እዩ። እዚ ፍጻመ፡ ነቲ ኣብ 2015 ዝተበጽሐ ኣብ 2018 ምምሕዳር ትራምፕ ኣሜሪካ ዘንሳሓበሉ፡ ኒኩለራዊ ስምምዕ ንምብርባር ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ኣብ ዝግበረሉ እዩ ኣጋጢሙ። ፕረዚደን ኢራን ሓሰን ሩሓኒ ብቐዳም ኣብ ማእከል ኒኩለር ናታንዝ ሓደስቲ ሰንትሪፍዩጅ ከመርቕ እንከሎ ብቴለቪዥን ብቐጥታ ተመሓላሊፉ። ሰንትሪፍዩጅ፡ ነቲ ንምንጪ ጸዓትን ኒኩለራዊ ኣጽዋርን ንምስራሕ ዘኽእል ዝበልጸገ ዩራንየም ንምምዕባል ዘገልግል መሳርሒ እዩ። ብመሰረት እቲ ኣብ 2015 ዝተበጽሐ ውዕል ኢራን ንምንጪ ጸዓት ጥራይ ዘገልግል ዝተወሰነ ዓቐን ብልጹግ ዩራንየም ክተፍርን ክትክዝንን ትግደድ እኳ እንተነበረት፡ እዚ ስጉምቲ ካልእ ምጥሓስ ናይቲ ስምምዕ ምዃኑ ይግለጽ። ትካል ኣቶሚካዊ ጸዓት ኢራን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ \"ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብን ኣህጉራዊ ትካል ኣቶሚካዊ ጸዓትን ንጉዳይ ኒኩለራዊ ግብረሽበራ ብዕቱብ ክርእይዎ እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ትጠልብ\" ኢሉ። ወሲኹ'ውን \"ኢራን ኣብ ልዕሊ እቶም ነቲ ተግባር ዝፈጸምዎ ኣካላት ስጉምቲ ናይ ምውሳድ መሰላ ኣብ ቦትኡ ኣሎ\" ኢሉ። ኣህጉራዊ ትካል ኣቶሚካዊ ጸዓት ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖ እኳ እንተገለጸ ዝኾነ ርእይቶ ኣይሃበን። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ'ውን ኒኩለራዊ ማእከል ናታንዝ ባርዕ ሓዊ ዘጋጠሞ ኮይኑ፡ ውዲት ምዃኑ ተገሊጹ ነይሩ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56714918"} {"headline":"ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዒራቕን ሶርያን ደብዳብ ነፈርቲ ፈጺመ ኢላ","content":"ኣመሪካ፡ ኣንጻር እቶም ብኢራን ዝድገፉ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ዝንቀሳቐሱ ሚሊሻታት ደብዳብ ነፈርቲ ከም ዝኸፈተት ፔንታጎን ኣፍሊጡ። በዚ መሰረት \"ኣብ ትካላት መምርሒ ሰራዊትን መኽዝን ኣጽዋርን\" ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተኻይዱ ኣሎ ክብል ፔንታጎን ዘውጽኦ መግለጺ ይሕብር። እቲ መጥቃዕቲ እቶም ሚሊሻታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተጠቒሞም ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ኣመሪካ ንዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ዝወሃብ ዘሎ ግብረ መልሲ ከም ዝኾነ'ውን ተገሊጹ። \"ፕረዚደንት ጆ ባይደን ወተሃደራት ኣመሪካ ንምሕላው ስጉምቲ ከም ዝወስድ ንጹር'ዩ\" እውን ኢሉ። ፕረዚደንት ባይደን ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ኣብ ልዕሊ ብኢራን ዝድገፉ ሚሊሻታት ስጉምቲ ደብዳብ ነፈርቲ ክውሰድ ከፍቅድ እዚ ንኻልኣይ ግዝኡ እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ዒራቕ ዘሎ ሰራዊት ኣመሪካ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ተፈጺሙዎ ነይሩ። ኢራን ግን ኣብዚ ጉዳይ ኢድ ከም ዘይብላ'ያ ትገልጽ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣስታት 2500 ወተሃደራት ኣመሪካ ኣንጻር ጅሃዳዊ እስላማዊ መንግስቲ [ኣይኤስ] ክዋጋእ ኣብ ዒራቕ ተዋፊሩ ይርከብ። ፔንታጎን ከም ዝብሎ ድማ ኣብ ሶርያ ክልተ ኣብ ዒራቕ ድማ ሓደ \"ወተሃደራዊ ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕታት ኣየር\" ተፈጺሞም ኣለው። ካታይብ ሒዝቦላህን ካታይብ ሰይድ ኣል ሹሃዳን ሓዊሱ ብኢራን ዝድገፉ ጉጅለታት ሚሊሻ ነቶም ዒላማ ዝተገብሩ ትካላት ከም ዝጥቀሙሎም ተሓቢሩ ኣሎ። ኣመሪካ ካብ 2009 ጀሚሩ ካታይብ ሒዝቦላህ ሰላምን ርግኣትን ዒራቕ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ'ዩ ብምባል ኣብ መዝገብ ሽበራ ኣስፊራቶ'ያ። እቲ ናይ ሕጂ ስጉምቲ ኣመሪካ ንርእሳ ክትከላኸል ዝወሰደቶ'ዩ ክብል ፔንታገን ሓቢሩ። ሓደጋ ጠጠው ንምባል ዝተተለመ \"ኣድላዪ፣ ግቡእን ኮነ ተባሂሉ ዝተወሰደን ስጉምቲ ወሲዳ ኣላ። ንጹር መልእኽቲ'ውን ንምሕላፍ ዝዓለመ'ዩ\" ኢሉ። ይኹን'ምበር በቲ መጥቃዕቲ ዝሞተ ወይ ኣካላዊ መጉዳእቲ ዝበጽሖ ምህላው ኣይተገልጸን። ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ከም ዝጸብጸቦ ግን ኣብ ሶርያ ሓሙሽተ ሚሊሻታት \"ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣመሪካ\" ተቐቲሎም ኣለው። ማዕከን ዜና ሶርያ ሳና ብወገኑ ሓደ ህጻን ከም ዝሞተን ብውሑድ ሰለስተ ሰባት ከም ዝቖሰሉን ጸብጺቡ ክብል ኤኤፍፒ ሓቢሩ። ኣብ 2003 ዓ.ም ብመሪሕነት ኣመሪካ ሳዳም ሑሴን ካብ ስልጣን ካብ ዝእለ ጀሚሩ ኢራን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ዒራቕ ኢዳ ከም እትሕውስ ይግለጽ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57632729"} {"headline":"“በዓል ገዛይ ቅጽዓት ሞት ይጽበ ኣሎ” በዓልቲ ቤት ሳይንቲስት","content":"እቲ ዕለት፡ ንዶክተር ኣሕማድሬዛ ጃላሊ ካብ ካልእ ግዘ ዝተፈለየ ኣይነበረን። ብትልሙ መሰረት፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ኢራን [ቴህራን] ንክልተ ሰሙናት ጸኒሑ ኣብ ስዊድን ናብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ክምለስ ነይርዎ። እንተኾነ ከይተመልሰ ዛጊድ ኣርባዕተ ዓመት ገይሩ። ኣብ ኢራን ከይተመልሰ ምትራፉ ጥራሕ ከይኮነስ፡ ናይ ሞት ቕጽዓት ድማ ተፈሪድዎ። ናይ መወዳእታ ስንብት ዘይገበረት፡ በዓልቲ ገዝኡ፡ ቪዳ ሜህራን ኒያ - ኣብ ሓያል ሻቕሎት ትርከብ። በዓል ሞያን ተመራማርን ድንገተኛ ሕማማትን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን፡ ዶክተር አሕማድሬዛ ጃላሊ ኣብቲ እዋን ናብ ኢራን እናተመላለሰ ኣብ ኣኼባታት ይሳተፍን የምህርን ነይሩ። ሕዚ ግን፡ ንክልተ ሰሙን ኢሉ ‘ቻው’ ዝበላ በዓል ገዛኣ- ንሓዋሩ ንከይትረኽቦ ይኸውን ኣሎ። “ንክልተ ሰሙን’ውን እንተኾነ ምፍልላይ ቀሊል ኣይነበረበን” ትብል ንቢቢሲ። ወዳ ፡ ኣቡኡ ኣብ ኢራን ከምዝተኣስረ ኣይፈልጥን። ብዛዐዕብኡ ድማ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኣይተውርን። ኣቡኡ ሕዚ’ውን ንስራሕ ከምዝኸደ እዩ ዝፈልጥ። ናይ ስዊድንን ኢራንን ሕዋስ ዜግነት ዘለዎ ዶክተር ጃላሊ ግን፡ ብስለላ ኢራን ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣቱ እነሆ 4 ዓመት መሊእዎ። ሰብ ስልጣን ኢራን፡ እቲ ዶክተር ንሞሳድ [እስራኤል] ሓበሬታ ብምሃብ፡ ኢራናዊ ናይ ኑክሌር ሳይንቲስት ክቕተል ሓጊዙ ክብሉ እዮም ተሓታቲ ዝገብርዎ። ጠበቕኡ ድማ፡ ኣብ ዓብዪ ስቓይ ኣእትዮም እዮም ክናዘዝ ገይሮምዎ ይብል። ዶ\/ር ኣሕማድሬዛ በይኑ ናብ ዝእሰረሉ 'ኢቫን' እናተብሃለ ዝጽዋዕ ቤት ማእሰርቲ ዝተወስደ ኾይኑ፡ 209 እናተብሃለ ኣብ ዝጽዋአዕ ንዕኡ ሓዊሱ፡ ብዙሓት እሱራት ፖሊቲካ ንበይኖም ተነጺሎም ተኣሲሮም ይርከቡ። ኣብ ቀረባ፡ ንሓጺር እዋን ምስ ስድርኡ ክዘራረብ ዝኸኣለ እቲ ሳይንቲስት፡ ናይ ሞት ፍርዲ ከምዝተረዶን ናይ ሞት ቅጸዕዓት ይጽበ ከምዘሎን ተዛሪቡ። ቪዳ፡ ሰበ ስልጣናት ኢራን ንወዲ 45 በዓል ገዛኣ ክቐትልዎ ምዃኖም ንዓለም ኣፍሊጣ ኣላ። “ኣብ ከቢድ ቀቢጸ ተስፋ ኮይኑ እዩ ኣዛሪቡኒ፡ ‘ህይወተይ ንምድሓን ዝከኣለኪ ኩሉ ግበሪ’ ኢሉኒ” ክትብል ገሊጻ። ኣብ ሓንቲ ጸባብ ክፍሊ ንበይኑ ተዓጽዩ ዝኾነ ነገር ናይ ምጻም ዓቕሚ ከምዘይብሉ ፈሊጣ። ንጓል 18 ዓመት ጓሉ ድማ ኣዛሪብዋ። “ድምጹ ምስ ሰምዐት ንፖለቲከኛታትን ንተሟገትቲ ሰብኣዊ መሰላትን እናደወለት ‘ህይወት ኣቦይ ኣድሕኑ’ እናበለት ትምሕጸን ኣላ” ኢላ። ብሓፈሻ፡ እቲ ስድራ ኣብ ዓብዪ ጭንቂ እዩ ኣትዩ ዘሎ። “እቲ ንእሽተይ ወደይ ኣቡኡ ናብ ኢራን እንትኸይድ ወዲ 4 ዓመት እዩ ነይሩ ፤ ሕዚ ወዲ 8 ዓመት ኮይኑ ኣሎ” ትብል ቪዳ። ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ኣቡኡ ዘጻውቶ ዝነበረ እናዘከረ ከምዝሓትት ድማ ትዛረብ። ዶክተር ኣሕማድሬዛ ናብ ስዊድን ዝኸደ ብምኽንያት ትምህርቲ ኣብ 2009 ኮይኑ ዶክትሬት ንምክትታል እዩ ነይሩ። ካብኡ ድማ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ስድርኡ ናብኡ ወሲዱ። ስዊድን ንዶክተር ኣህማድሬዛ ኣብ 2018 ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተሎ እያ ዜግነት ሂባቶ። ኣብታ ሀገር ዝተኸብረ ሳይንቲስት እዩ። ዶክትሬቱ እንትሰርሕ ኣማኻሪኡ ዝነበረ፡ ፕሮፌሰር ሊዛ ኩርላንድም፡ ምስ ምርምር ብዝተኣሳሰር ንክራኸቡ ቆጸሮ ሒዞም ነይሮም። ኣብ ኢራን ማዕጾ ዝተቖለፎ ዶክተር ግን፡ ኣብ ቆጸርኡ ክርከብ ኣይከኣልነ። “ኣብ እዋን ቆጸረና ዘይምርካቡ ካብኡ እትጽበዮ ኣይነበረን። ‘እንታይ ኮነ ገጢምዎ’ ኢለ ምሕሳብ ጀሚረ”ይብል ፕሮፌሰር ሊዛ ኩርላንድ። ስድረኡ መጀመርታ፡ ናይ መኪና ሓደጋ ገጢምዎ ኣብ ሕክምና እዩ ዘሎ ኢሎም እዮም ተዛሪቦም ነይሮም። ድሕሪ ናይ ሞት ፍርዲ ምስተበየኖ እዮም ተዛሪቦም። “ኣብዛ ዓለም ኣፈላላይ ክፈጥር ዝኽእል ሰብ እዩ ነይሩ። ሳይንሳዊ መይላታት ተጠቒሙ ኢራናውያን ንምሕጋዘ’ውን ትልሚ ነይርዎ” ይብል ፕሮፌሰር ሊዛ ኩርላንድም። ኣብ ኢንስትትዩት ካሮሊንስካ፡ መሳርሕቱ ዝነበሩ ድማ ሕያዋይን ቅኑዕን ነይሩ ይብሉ። ብዛዕባ ኢራን ተዛሪቡ ኣይጸግብን ዝብሉ መሳርሕቱ፡ እቲ ፖለቲካዊ ኩነታት ከይዓገቶ፡ ኣብ ዩኒቨርሲታት ኢራን ከምህር ድሌት ከምዝነበሮ ይዛረቡ። ቅድሚ ክልተ ሰሙናት፡ 150 ተሸለምቲ ሽልማት ኖቤል፡ ዶክተር አህማድሬዛ ብነጻ ክልቀቕ ሓቲቶም ነይሮም። ኣምነስቲ ኢንተርናሽል’ውን እቲ ፍርዲ ተፈጻሚ ከይኸውን ሓቲቱ ኣሎ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጸኢ ስዊድን ብወገኑ፡ ንኢራን መዘንኡ፡ እቲ ውሳነ ተፈጻሚ ከይኸውን ተማሕጺኑ ኣሎ። እንተኾነ ኢራን፡ ሕቶ ስዊድን ተቐባልነት የብሉን ብምባል፡ ካብ ዝኾነ ኢድ ኣእታውነት ኢዳ ክትስሕብ ሓቲታ። ኢራን፡ ንብዙሓት ተደራቢ ዜግነት ዘለዎም ሰባት 'ሰለልቲ' እናበለት እያ ትሕዞም። መትሐጃ ገይራቶም ተባሂላ’ውን ትንቀፍ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ንዓሰርተ ዓመታት ብገበን ስለላ ኣሲራቶ ዝነበረት እንግሊዛዊ-አውስትራሊያዊ መምህር ብሰለስተ ኢራናውያን እሱራት ልውውጥ ፈቲሓቶ ነይራ። በዓልቲ ገዝኡ ከም እትብሎ፡ ዶክተር ኣህማድሬዛ ቀዳምነት ዝህቦ ንሰባት ምሕጋዝ እዩ። ብፍላይ ሰባት ብናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ብኸመይ ቀዲምደካ ምክትታል ይከኣል ዝብል ነይሩ ትብል። ጓሉ ኣብቲ ንሱ ዝተምሃረሉ ዝኣተወት ኮይና፡ በዓልቲ ገዝኡ በዚ ሕጉስቲ እያ። ካልኣይ ብርኪ ትምህርታ ክትዛዝም እንተላ፡ ዝለዓለ ነጥቢ ኣምጺኣ እንተሓለፈት’ኳ፡ ኣቦኣ ኣብ ጥቓኣ ኣይነበረን። ኣብ ትካል ካሮሊንስካ ኢንስቲትዩት ምስኣተወት ድማ ከም ኣቦኣ ሕክምና መሪጻ ኣላ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55292872"} {"headline":"እስራኤል፡ ስለምንታይ ብሓድሽ ፕረዚደንት ኢራን ተሻቒላ?","content":"ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል፡ ሊዮር ሃይት፡ ሚስተር ራይሲ ዛጊድ ንኢራን ካብ ዝመርሑዋ ፕረዚደንታት እቲ ‘ኣዝዩ ሕሉፍ’ ዝበሃል ሰብ ምዃኑ ተዛሪቡ። ከምኡ’ውን፡ እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ኮይኑ ዝተመርጸ፡ ናይ ኢራን መደብ ኑክሌር ምምዕባል ብዝገደደ ክቕጽለሉ ምዃኑ እዩ ዝኸስስ። ኢብራሂም ራይሲ፡ ትማሊ ቀዳም ኣብቲ እቲ ንዕኡ ዘዘንበለ እዩ ተባሂሉ ዝእመነሉ ሃገራዊ መረጻ ተዓዊታይ ምዃኑ ዕላዊ ተገይሩ እዩ። ኣብ መጻኢ ወርሒ ነሐሰ ሽመት ክቕበል ትጽቢት ዝግበረሉ ሚስተር ራይሲ፡ ላዕለዋይ ዳኛ ኢራን ዝነበረ ኾይኑ፡ ዓቃባዊ ኣተሓሳስባታት ዘሰጉም ተባሂሉ እዩ ዝሕመ። ንሱ፡ ብኣመሪካ ማዕቀባት ካብ ዝተነብረሎም ሰብ መዚ ኢራን ሓደ ኾይኑ፡ ምስ ቅድም ክብሉ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ እሱራት ዝተፈጸሙ ናይ ሞት ፍርዲ ድማ ስሙ ዝለዓል እዩ። ኣብቲ መረጻ ምዕዋቱ ስዒቡ፡ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እምነት ክሓድሮን ናይ ንመላእ ህዘቢ ኢራን ብማዕረ ንክመርሕን ቃል ኣትዩ ኣሎ። “ህርኩት፣ ንለውጢ ዝሰርሕን ግዕዝይና ዝጽየፍን መንግስቲ ከጣይሽ እየ” ኢሉ ምዝራቡ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ጸብጺበን። ሃገራት እሰራኤልን ኢራንን፡ ንነዊሕ እዋን ቃላት ኲናት ክመላለሳ ዝጸንሓ ኾይነን፡ ይኹን እምበር ናብ ምሉእ ኲናት ኣትየን ኣይፈልጣን። ኣብ ቀረባ እዋናት ግና፡ እቲ ኣብ ‘ተጻብኦ’ ዝተመስረተ ርክበን ኣዝዩ እናሓርፈፈ ይርከብ። እቲ ኩነታት ብቐሊሉ ክትርደኦ ከቢድ እንተኾነ’ኳ፡ ሓደ ቀንዲ ዘባእሰን ጉዳይ ግና፡ ዛዕባ መደብ ምምዕባል ኑክሌር ኢራን እዩ። ኢራን፡ ነቲ 'ኣለኒ' እትብሎ ናይ ኑክሌር ተመራማሪ እስራኤል ቀንጺላቶ ኢላ ትኸስስ ኮይና፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ድማ ኣብ ሓደ ዩራንየም ዝምዕብለሉ ማእከል መጥቃዕቲ ፈጺማ ኢላ ትኸሳ። ኢራን፡ እቲ እተፍርዮ ኣጽዋር ኑክሌር ንሃገራዊ ልምዓት እዩ ትበል’ምበር ምሉእ ንምሉእ ንሰላማዊ ዕላማ ከምዝውዕል ክተረድእ ኣይከኣለትን። ኣጽዋር ውግእ ተፈሪ ከምዘላ እዩ ብሰፊሑ ዝእመን። ኣብ 2015 እቲ ኣብ ልዕሊኣ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ክለዓለላ፤ ንሳ ድማ እቲ ኑክሌር ምፍራይ ጠጠው ክተብል ዝብል ስምምዕ ተኸቲሙ ነይሩ። እንተኾነ፡ ፕረዚደንት ነበር ተራምፕ ኣብ 2018 ነቲ ውዕል ምስ ወንዘፎን ነቶም ተረርቲ እገዳታት መሊሱ ምስ ኣንበረን፡ እቲ ውዕል ፈሪሱ። ምምሕዳር ባይደን፡ነቲ ውዕል ናብ ቦትኡ ክምልስ ይፍትን ከምዘሎ እዩ ዝዝረብ። እቶም እገዳታት ተመሊሶም ምስ ተነብሩ፡ ኢራን ነቲ ቅድም ከብል ዝጀመረቶ ንጥፈታት ዩራንየም፡ ኣበርቲዓ ትቕጽለሉ ከምዘላ እዩ ዝዝረብ። ርግጽ፡ ዛጊድ፡ እቲ ዘፍረየቶ ኣጽዋር፡ ንደረጃ ኣጽዋር-ኑክሌር ከምዘይበቕዐ እዩ ዝግለጽ። ኣመሪካ፡ ኣብ ዛዕባ እቲ መረጻ ኢራን ኣመልኪታ፡ ኢራናውያን መራሒኦም ብናጽነትን ፍትሓውነትን ናይ ምምራጽ መሰሎም ተዓጊቶም ዝብል ርእይቶ ሂባ። ብዝሒ መረጽቲ፡ ኣዝዩ ትሑት ከምዝነበረ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ካብቶም ንክመርጹ ዝተመዝገቡ ዜጋታት እታ ሃገር፡ 50 ሚኢታዊት ጥራሕ ኣድሚጾም ተባሂሉ። እዚ ምስቲ ኣብ 2017 ዝነበረ 70 ሚኢታዊት እንትነጻጸር ትሑት እዩ። ኣብዝሓ ህዝቢ፡ እቲ መረጻ ውዱእን ነቲ ንመንፈሳዊ መራሒ ኣያቶላሕ ስጡም ቅርበት ዘለዎ፡ ሚስተር ራይሲ፡ ዘዘንበምለን ምዃኑ እዮም ዝገልጹ። ኣብ ከይዲ ዘሎ ዝርርባት ሰላም ሚስተር ራይሲ ናብ ስልጣን ዝመጽእ ዘሎ፡ እቲ ዛዕባ መደብ ኑክሌርን ምልዓል እገዳታትን ዛዕባ ኣብ ዝኾነሉ እዋን እዩ። ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብቲ ይካየድ ዘሎ ሽድሽተ ሓያላት ሃገራት ዘካተተ ዝርርብ ሰላም፡ ከምዝቕጽል እዩ ኣፍሊጡ። እቲ ንሻድሽ ዙርያ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ፡ ንኣመሪካ ዝሓወሰ ምዃኑ ይዝረበሉ። እንተኾነ፡ ዛጊድ ኣብ መንጎ መራሕቲ እተን ሃገራት ኣፈላላያት ከምዘለዉ ሮይርስ ጸብጺቡ ኣሎ። ወሃቢ ቃል፡ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ዋላ ሚስተር ራይሲ ስልጣን እንተሓዘ ኢድ-ኣዙር ዝዝርብ ከምዝቕጽል እዩ ኣፍሊጡ። 'ሓራዲ ቴህራን' ወሃቢ ቃል፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል፡ ሎይር ሃይት፡ እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ኮይኑ ዝተመርጸ፡ ‘ኣዝዩ ሕሉፍ ኣተሓሳሳብ ዘሰጉም ዓቃባዊን ደድሕሪ ንመደብ ምምዕባል ኣጽዋራት ኑክሌር ኢራን ዘሎ ሰብን’ ክብል ከሲሱዎ። ሎይር ኣብ ትዊተር ገጹ፡ ነቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ‘ሓረዲ ቴህራን’ ክበል'ውን ጸዊዕዎ። ንሱ፡ ምስቲ ኣብ 1988 ዝተፈጸመ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኣባላት ተቓውሞ ዝተቐትልሉ ኩነታት ብቐጥታ እዩ ዘራኽቦ። እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ኮይኑ ዝተመርጸ ሰብ ፡ ‘ቀታሊ ኮሚቴ’ እናተብሃለ ዝጽዋዕ ኣርባዕተ ዳኛታት ዝሓዘ ኣካል ዝምራሕ እዩ ነይሩ። ኣመነስቲ ኢንተርናሽናል፡ እዚ ኮሚቴ ልዕሊ 5 ሽሕ ሰባት ብሞት ክፍረዱ ዝገበረ ምዃኑ ይገልጽ። እቲ ወሃቢ ቃል እስራኤል ከምዝብሎ ድማ፡ ኣብቲ እዋን ዝተቐትሉ ልዕሊ 30 ሽሕ ሰባት ከምዝኾኑ እዩ፤ እዚ ብገለ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኢራን’ውን ዝድገፍ ቁጽሪ እዩ። ካልኦትከ እንታይ ኢሎም? ካብ ኩሉ ቀዲሙ ነቲ ፕረዚደንት ‘እንኳዕ ደስ በለካ’ መልእኽቲ ዘመሓላላፈ ፕረዚደንት ሩስያ፡ ቭላድሚር ፑቲን እዩ ። ካልኦት ከም መራሕቲ ሶርያ፣ ኢራን፣ ቱርኪ፣ ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬተስ ድማ ናይ ሓጎስ ምልእኽታት ሰዲደን። ወሃቢ ቃል መራሒ ሓመስ ድማ፡ ንኢራን ‘ዕቤትን ብልጽግናን’ ተመንዩላ። እንተኾነ፡ ሁይማን ራይተስ ዎች፡ “ከም ሓደ ላዕለዋይ መራሒ ነበር፡ እቲ ጨቋኒ ቤት ፍርዲ ኢራን፡ ሚስተር ራይሲ በቶም ዝተፈጸሙ ቅትለታት ክምርመርን ናብ ሕጊ ክቐርብን ዘለዎ ‘ምበር፡ ናብ ስልጣን ክመጽእ ዘለዎ ሰብ ኣይኮነን” ዝብል ርእይቶ ሂቡ ኣሎ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57544296"} {"headline":"ስምምዕ ኒኩለር ኢራን፡ ማይክ ፖምፔዮ ሃገራት ኣውሮጳ \"ምስ ኣያቶላህ ወጊነን\" ኢሉ","content":"ፀሓፊ ወፃኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ማይክ ፖምፔዮ፡ ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ጉዳይ ስምምዕ ኒኩለር ኢራን ምስ \"ኣያቶላህ ወጊነን\" ብምባል ከሲሱ። ማይክ ፖምፔዮ ነዚ ዝበለ ሃገራት ኣውሮጳ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዳግም ማዕቀብ ከተንብር ከም ዘይትኽእል ምግላፀን ስዒቡ እዩ። ሃገራት ብሪጣንያ፣ ፈረንሳይን ጀርመንን፡ ኣሜሪካ፡ ብ2018 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ካብ ስምምዕ ኒኩሌር ኢራን ስለ ዘንሰሓበት ሕዚ መሊሳ ኣብ ልዕሊ ኢራን ማዕቐብ ክተንብር ሕጋዊ መሰል ከም ዘይብላ ገሊፀን። ኣሜሪካ እቲ ኣብ 2015 ካብ ልዕሊ ኢራን ዝተላዕለ ማዕቐብ፡ መሊሱ ክትግበር ንባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዋላ ሓሳብ እንተቕረበት ተቐባልነት ኣይረኸበን። ኣብ ልዕሊ ኢራን ተነቢሩ ዝፀንሐ ማዕቐብ ኣብ ዝመፅእ ወርሒ ጥቅምቲ እዩ ከብቅዕ። \"እዚ እማመ ከተትግብር እትኽእል ዝኾነት ሃገር የላን። ኣሜሪካ ግና እዚ እማመ ንቅድሚት ንምውሳድ ትብዓትን እምነትን ኣለዋ። የግዳስ ሃገራት ምስ \"ኣያቶላህ ምውጋን እየን መሪፀን\" ኢሉ ፖምፔዮ። ኣብ ባይቶ ፀጥታ እቲ ሕብረት ዘለዋ ካልኦት ሃገራት ነቲ ዝቐረበ ሓሳብ ንምክልኻል 30 መዓልታት ክህልወን እዩ። እንተኾነ ኣሜሪካ ዘለዋ ስልጣን ( ቬቶ ፓወር) ብምጥቃም ንውሳነ እቲ ባይቶ ክትስዕሮ ትኽእል እያ። ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ባይቶ ፀጥታ ዝተስዓረት ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ማዕቐብ ካብ ምንባር ዝእግዳ ከም ዘየለ ብኣጋ ገሊፃ ኣላ። ነዚ ድማ እዩ ማይክ ፖምፔዮ፡ እቲ እማመ ተቐባልነት እንተድኣ ዘይረኺቡ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ማዕቐብ ንምንባር ዝከኣላ ኩሉ ከምእትገብር ኣጠንቂቑ ዘሎ። ኣብ ልዕሊ ኢራን ማዕቐብ ክናዋሕ ዘይምግባር \"ገዚፍ ስሕተት\" እዩ ክኸውን ዝበለ ማይክ ፖምፔዮ፡ ኣሜሪካ ኢራን ከም ታንክታት ዝኣመሰሉ ኣዕነውቲ ኣጽዋር ክትዕድግን ክትሸጥን ከም ዘይትፈቅድ ገሊፁ። ኣብ ስምምዕ ኒኩሌር ኢራን፡ ሓያላት ሃገራት ቻይና፣ ሩስያ፣ፈረንሳይ፣ ብሪጣንያን ጀርመንን፡ ንኢራን ናይ ማዕቐብ ዕረፍቲ ሂበን እየን። ሃገራት ኣውሮጳ ግና፡ ፕረዝደንት ትራምፕ ኣብ 2018 ኣቖፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ኣሜሪካ ኣብ ስምምዕ ኒኩሌር ዝነበራ ተሳትፎን መሰልን ከምዘብቀዐ ግልፂ ገይሩ እዩ ኢለን። ይኹን እምበር ካልኦት ሃገራት፡ ካብቲ ሕዚ ኣሜሪካ ክወስዶ እየ ኢላ ዘላ ስጉምቲ ብኸመይ ደው ከብልኣ ከምዝኽእላ ግልፂ ኣይኮነን።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53831019"} {"headline":"ኢራን፡ ኣብ ከተማ ቴህራን ‘መራሒ ኣልቃኢዳ ተቐቲሉ’ ዝብል ሓበሬታ ነጺጋቶ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፡ ኣብ ርአሰ ከተማ ኢራን ዝኾነት ቴህራን መራሒ ኣልቃኢዳ ተቐቲሉ ዝብል ጸብጻብ ሕሶት እዩ ብምባል መንግስቲ ኢራን ነጺግዎ። ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ፡ ካልኣዋይ ላዕለዋይ ኣዛዚ ኣልቃኢዳ ተገይሩ ዝውሰድ ዓብዱላሕ ኣሕመድ ዓብዱላሕ፡ ብሓይልታት እሰራኤል ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ ተቐቲሉ ኢሉ እዩ ጸብጺቡ ነይሩ። እቲ ጋዜጣ ወሲኹ፡ ሓይልታት እስራኤል እቲ መጥቓዕቲ ዝፈጸመ ካብ ኣመሪካ ብዝቐረበሉ ሕቶ ከምዝኾነ’ውን ሓቢሩ ነይሩ። ኢራን ግን፡ ኣብ ሃገራ ኣሸበርቲ ኣልቃኢዳ ከምዘይነብሩ እያ ገሊጻ። ዓብዱላሕ፡ እቲ ብ1998ታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ኢምባሲታት ኣመሪካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዘዋደደ ሰብ ተባሂሉ እዩ ዝጥርጠር። ኣቡ ሙሓሙድ ኣል-ማስሪ ብዝብል ቕጽል ስሙ ዝፍለጥ እዚ መራሒ፡ ኣብ 7 ነሓሰ ብክልተ ቀንጸልቲ ምስ ጓሉ ከምዝተቐትለ ምንጭታት ስለያ ኣመሪካ ጠቒሱ እቲ ጋዜጣ ጽሒፉ። እቲ ጸብጻብ ከምዝብሎ፡ ኢራን እቲ ቅትለት ዝተፈጸመሉ ሓደ ተወላዲ ሊባኖስ ናይ ታሪኽ ምሁር ፕሮፌሰር ከምዝኾነ ገይራ እያ ክትሸፋፍኖ ፈቲና። እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን “ዋሺንግተንን ቴል ኣቪቭን ካብ ግዜ ናይዞም ጉጅለታት ግብረ ራዕዳዊ ተግባራት ምስ ኢራን ብሕሶት ብምልጋብ ጸለመ ልሙድ ገይሮምዋ” ኢሉ። ቻነል 12 ዝተብሃለ መደብር ቴሌቪዥን እስራኤል ግን፡ ናይቲ መራሒ ቅትለት ካብ ናይ ክልቲአን ሃገራት ሓበራዊ ድሌት ዝተበገሰ ከምዝኾነ ነቶም ስለያ ኣመሪካ ጠቒሱ ጸብጺቡ። ዓብዱላሂ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል’ውን ተመሳሳሊ መትቃዕቲታት የዋድድ ከምዝነበረ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ። ዓብዱላሂ ሓደ ካብቶም መስረትቲ እስላማዊ ጉጅለ ኣልቃዒዳ፡ ሓደ እዩ። ኣብቲ ኣብ 1998 ኣብ ናይ ኢምናሲታት ኣመሪካ ኣብ ኬንያን ኣብ ታንዛንያን ንሞት 2224 ምኽንያት ዝኾነ መጥቓዕቲ ዘዋደደ ከምዝኾነ እዩ ዝጥርጠር። ካብ 2003 ጀሚሩ ኣብ ኢራን ኣብ ገዛ ተዓጽዩ ይነብር ከምዝነበረ ደሓር ግን ነጻ ኾይኑ ይንቀሳቐስ ከምዝነበረ እዩ ዝዝረብ። ርግጽ፡ ኣልቃኢዳን ኢራንን ዘሰጉምዎ ናይ ኢስላም ስነ-ሓሳብ ዝተፈላለየ ከምዝኾነ እዩ ዝንገር፡ ኣብ መንጎኦም ርክብ ምፍጣር ልሙድ ከምዘይኾነ ድማ ይዝረብ። ናይ ኢራን-እስላም፡ ሺዓ ሙስሊም እንትኾኑ፡ ኣልቃኢዳ ዘሰጉሞ ስነ-ሓሳብ ሙስሊም ድማ ናይ ሱኒ ኣታሓሳስባ እዩ። ዓብዱላሕ፡ ኣብ ኤፍቢኣይ ‘ኣዝዩ ዝድለ’ ኣብ ዝብል ዝርዝር ፈጸምቲ ራዕዲ ይርከብ። ንዕኡ ዘትሓዘ ወይ ካአ ኣብ ዝርከበሉ ቦታ ዝሓበረ ሰብ ድማ፡ 10 ሚልዮን ዶላር ሽልማት ከምዝወሃቦ መንግስቲ ኣሜሪካ ምምብጽዑ ይዝከር።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54949275"} {"headline":"ኢራን ምሕጽንታ ዓለም ዕሽሽ ብምባል ንሓደ ስፖርታዊ ተቓላሲ ብሞት ቀጺዓ","content":"ናቪድ ኣፍካሪ ወዲ 27 ዓመት ኮይኑ፡ ብስፖርታዊ ቅልስ እዩ ዝፍለጥ። ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ኣንጻር መንግስቲ ኢራን ኣብ ዝተገበረ ተቓውሞ ተሳታፊ ነይሩ። ኣብ’ቲ እዋን፡ ንሓደ ኣብ ሓለዋ ንዝነበረ ሰብ ቀቲሉ ዝብል ክሲ ቀሪብሉ ኣብ ማእሰርቲ እዩ ጸኒሑ። እዚ ስፖተታዊ ተቓላሲ ብሞት ከይቅጻዕ ብዙሕ ምሕጽንታታት እኳ ይቐርበላ እንተነበረ፡ ኢራን ግን፡ ነዚ ምሕጽንታታት ዕሽሽ ብምለል ብሞት ቀጺዓቶ ኣላ። ናቪድ፡ ነቲ ገበን ፈጺመዮ እየ ኢሉ ክናዘዝ ሓያል መግረፍትን በደልን ከምዝበጽሖ እዩ ዝዛረብ። ኢራን ንናቪድ ብሞት ምቕጸዓ፡ ንሰብኣዊ መሰላት ዝሕለቕ ዓለማዊ ትካል ኣምነስቲ ኮኒንዎ። ካብ ቤት ማእሰርቲ ልሑኹ ኣብ ዝወጸ ድምጺ፡ “እንተደኣ ሞይተ፡ ክትፈልጥዎ ዝደልዮ ነገር እንተሎ፡ ነቲ ገበን ከምዘይወዓልወዎ እዩ። ንጹህ ሰብ እየ። ክንዲ ዝከኣለኒ ንጹህነተይ ከመስክር እኳ እንተተቓለስኩ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ሞት ተፈሪዱኒ’ሎ” ይብል ናቪድ። ናቪድ፡ ብማሕነቕቲ ከምዝተቐጽዐ ሃገራዊ ሚድያ ኢራን ጸብጺቡ እዩ። ቅድሚ ሞቱ፡ ምስ ስድርኡ ከይራኸብ ከምዝተገበረን፡ እዚ ድማ ንሕጊ እታ ሃገር ዝጥሕስ ከምዝኾነን ጠበቕኡ ተዛሪቡ። እቲ መንእሰይ ብሞት ከይቅጻዕ ብዙሓት እዮም ምሕጽንተኦም ኣስሚዖም ነይሮም። ካብኣቶም ሓደ፡ 85 ሽሕ ኣባላት ዘለውዎ ማሕበር ስፖርተኛታት ዓለም እዩ። ናቪድ፡ ኣብ ተቓውሞ ስለዝተሳተፈ እዩ ብዘይፍትሓዊ መገዲ ዒላማ ኮይኑ ዝብል እቲ ማሕበር፡ እንተደኣ ኢራን ብሞት ቀጺዓቶ፡ እታ ሃገር ካብ ውድድራት ስፖርት ክትስጎግ ሕቶ ኣቕሪቡ ነይሩ። ፕረዚዳንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ’ውን ብተመሳሳሊ ምሕረት ክግበረሉ ዝሓተተ ኮይኑ፡ ነንኮ በደል ናይቲ ስፖርተኛ ኣብ ተቓውሞ ምስታፉ እዩ ኢሉ ነይሩ። ዓለማዊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ድማ፡ ሞት ናደድ ዘሕዝን ምዃኑ ብምግላጽ ንስድርኡን መሓዙቱን፡ ጽንዓት ይሃብኩም ኢሉ። “ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ስፖርተኛታት ህይወቱ ንምድሓን እኳ ምሕጽንተኦም እንተስምዑ፡ ነዚ ዕሽሽ ኢሎም ምቕታሎም ዘሕዝን እዩ” ኢሉ ኣብ መግለጺኡ። እቲ ናቪድ ዝተሳተፈሉ ተቓውሞ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተገበረ ክኸውን ከሎ፡ ሰባት ኣንጻር ኣብ’ታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ወጽዓን ቁጠባዊ ጸገምን እዮም ተቓውሞታቶም ኣስሚዖም። ቫሂድን ሓቢብን ዝበሃሉ ኣሕዋቱ ንናቪድ ድማ፡ ብተመሳሳሊ ክሲ፡ ማእሰርቲ 54 ከምኡ ድማ 27 ዓመት ከምዝተፈረዶም፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኢራን ይገልጹ። ኣዲኦም ድማ፡ ደቃ ኣንጻር ሓድሕዶም ክምስክሩ ከምዝተገደዱ ገሊጻ። ብዙሓት መራኸብቲ ብዙሓን ኢራን፡ ናደድ ነቲ ሓላዊ ክቐትሎ እንከሎ ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣሎ ኢሎም’ኳ እንተጸብጸቡ፡ ጠበቕኡ ግን ከምኡ ዝኣምሰለ ቪድዮ ከምዘየለ ኣብ ትዊተሩ ጽሒፉ’ሎ። ናቪድ ብስፖርታዊ ቅልስ፡ ብደረጃ ሃገር ‘ሻምፒዮናነት’ ዝጨበጠ እዩ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54137053"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ዝርግሐ ለበዳ ኮቪድ-19 ማእከላይ ምብራቕ","content":"ብኢራን እትውነን መንገዲ ኣየር ማሃን፡ ዝበዝሓ መንገዲ ኣየራት ናብ ኢራን በረራ ደው ኣብ ዘበላሉ፡ ነፈርቲ ናይዛ መንገዲ ኣየር ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ በረራታት የካይዳ ስለዝነበራ፡ ኣብ ምልባዕ ኮሮናቫይረስ ዝተጻወተቶ ኣሉታዊ ተራ ቢቢሲ መረመራ ኣካይድሉ ኣሎ። ቢቢሲ ቋንቋ ዓረብ ኣብዚ እዋን ለበዳን እገዳን እዛ መንገዲ ኣየር ዘካየደቶ ብዝሒ በረራታት ካብ 'ትራኪንግ ዳታ' (ንበረራ ነፈርቲ ዝከታተልን ዝሕብርን መተግበሪ) ከምኡ እውን ኣብ ውሽጢ እቲ መንገዲ ኣየር ካብ ዝሰርሑ ብዝረኸቦ ሓበሬታ፡ እዛ መንገዲ ኣየር ካብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝነበረ ግዜ ካብን ናብን ኢራን፣ ዒራቕ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሶርያን ኣማኢት በረራታት ከም ዘካየደት ክፈልጥ ክኢሉ። እዛ መንገዲ ኣየር ብዘይ ፍቓድ እዘን ዝተጠቕሳ ሃገራት በረራ ከተካይድ፣ ክሊ ኣየረን ክትጥቀም ከምኡ'ውን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ እዘን ሃገራት ክትዓልብ ከም ዘይትኽእል ርዱእ እዩ። ኢራን ናብ ቻይና ዝግበር በረራታታ ኣብ 31 ጥሪ እያ ደው ኣቢላቶ። እታ ሃገር ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ማእከል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምዃና ምስ ተረጋገጸ ኸኣ ብዙሓት ሃገራት ካብን ናብን ኢራን ዝግበር በረራታት ኣብ ወርሒ ለካቲትን መጋቢትን ደው ኣቢለንኦ። መንገዲ ኣየር ማሃን ግን ዋላ እኳ ተሳፈርትን ኣባላት በረራን ንሓደጋ ዘቃልዕ'ዩ ዝብል ነቐፌታ ይወርዳ እንተነበረ፡ በረራታት ኣየቋረጸትን። ስክፍተኦም ዝገለጹ ኣባላት እዛ መንገዲ ኣየር'ውን 'ሱቕ እንተዘይ ኢሎም ብገበን ከም ዝሕተቱ' ዝሕብር መጠንቀቕታታት ተዋሂብዎም ሱቕ ከም ዝብሉ'ዩ ተገይሩ። ቢቢሲ ነዚ ኣመልኪቱ ካብ መንገዲ ኣየር ማሃን ቃል ክረክብ ዘቕረቦ ሕቶ ጸማም እዝኒ እዩ ተዋሂብዎ- መልሲ ኣይሃበን። መንገዲ ኣየር ማሃን ብውልቂ እትውነን መንገዲ ኣየር ኢራን እያ። እዛ መንገዲ ኣየር፡ 55 ነፈርቲ ክህልውኣ እንከለዋ፡ ናብ 66 መዓረፎ ነፈርቲ በረራ ብምክያድ፡ ዓመታዊ ልዕሊ 5 ሚልዮን ተጓዓዝቲ ካብን ናብን ተመላልስ። ምስ ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ጥቡቕ ርክብ ከም ዘለዋ'ውን ይፍለጥ። ከም ውጽኢቱ ካብ 2011 ጀሚሩ ወተሃደራዊ ንብረትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ሓይልታት ሓለዋ ሰውራ ተበጻጽሕ'ያ ብዝብል ምኽንያት ብኣሜሪካ ጥቡቕ ምክትታል ክግበረላ ዝተወሰነላን ምክትታል ክግበረላ ዝጸንሐትን መንገዲ ኣየር እያ። እዛ መንገዲ ኣየር፡ ነቶም ሓይልታት ሰውራ ጥራይ ዘይኮነ ነቶም በዚ ሰውራ ኣብ ኢራን፡ ሊባኖስ ዒራቕን ካልኦት ሃገራትን ዝካየዱ ስርሒታትን'ውን ትድግፍ እያ። ቢቢሲ ዓረብ ኣብ ሊባኖስን ዒራቕን ዝገበሮ መርመራ፡ ኮሮናቫይረስ ናብዘን ሃገራት በቶም ብመንገዲ ኣየር ሞሃን ዝተጓዓዙ ሰባት ከም ዝኣተወ ከረጋግጽ ክኢሉ። ዕለት 19 ለካቲት፡ ሓደ ኢራናዊ ተመሃራይ ብመንገዲ ኣየር ማሃን ቁጽሪ በረራ W55062 ካብ ርእሰ ከተማ ታህራን ተበጊሱ ናብ ዒራቓዊት ከተማ ናጃፍ ኣቕኒዑ። እዚ ውልቀ ሰብ ኣብ 24 ለካቲት እቲ ናይ መጀመርታ ኣብ ዒራቕ ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦ ሰብ ኮይኑ ኣብ መዝገብ ሰፊሩ'ሎ። ዕለት 20 ለካቲት፡ ጓል 41 ዓመት ሊባኖሳዊት ካብ ቆም (ቅዱስ ቦታ ሺዓ) ብታህራን ኣቢላ፡ ናብ በይሩት ብመንገዲ ኣየር ሞሃን ቁጽሪ በረራ W5112 ናብ ሊባኖስ ኣትያ። እዛ ሰብ እዚኣ'ውን ኣብ ሊባኖስ እታ ቀዳመይቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈት ሰብ ተባሂላ ተመዝጊባ ኣላ። ክልቲኤን እዘን ሃገራት ኣብ ልዕሊ እዛ መንገዲ ኣየር ዘለወን ቁጠዐ እኳ እንተገለጻ፡ እታ መንገዲ ኣየር ግን በረራኣ ደው ኣየበለትን። መንግስቲ ኢራን፡ ካብን ናብን እታ ሃገር ዝግበር በረራታት ካብ 20 ለካቲት ጀሚሩ ደው ክብል ኣዋጅ ኣሕሊፉ። ቢቢሲ ዝገበሮ መርመራ ግን ድሕሪ እዚ ኣዋጅ'ውን እንተኾነ እዛ መንገዲ ኣየር፡ ካብ መንግስቲ ኢራን ብዝረኸበቶ ፍሉይ ፍቓድ 15 በረራታት ናብ ዒራቕ (ኣብ ኢራቕ ዝረክብ ቅዱስ ቦታ) ኣካይዳ። መንግስቲ ዒራቕ ናብ ቢቢሲ ኣብ ዝለኣኾ መግለጺ፡ እቶም ድሕሪ ምእጋድ ዝተገበሩ በረራታት መስርሕ ምምላስ ካብ ሃገሮም ወጻኢ ዝነበሩ ኢራናውያን ምዃኑ ብምጥቃስ ብሲቪል ኣቬሽን ዝጸደቐ ፍቃድ ዘማልኡ ምዃኖም ሓቢሩ። እቲ መግለጺ ብምስዓብ፡ ካብ ኢራቕ ናብ ኢራን ዝግበሩ በረራታት ከምዝቕጽሉን ካብ ኢራን ናብ ዒራቕ ዝኣትዉ ተሳፈርቲ ከምዘይህልዉን ኣብሪሁ። ኣብ ኢራንን ኣብ ቻይናን ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ልዑል እንከሎ ዝተገበረ በርራታት ኣብ ኢራንን ኣብ ቻይናን ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ልዑል እንከሎ'ውን መንገዲ ኣየር ሞሃን ናብ ኣርባዕተ ዓበይቲ ከተማታት ቻይና በረራታታ ተካይድ ነይራ እያ- ናብ በይጂንግ፡ ሻንግሃይ፡ ግዋንግዙን ሸንዘንንን። ኢራን ካብ 31 ጥሪ ጀሚራ እያ ካብን ናብን ኢራን ዝግበር በረራታታ ደው ኣቢላቶ። ስለዚ መንገዲ ኣየር ሞሃን ነዚ ሕጊ እዚ ክትጥሕስ ካብ መንግስቲ ኢራን ቀጠልያ መብራህቲ ተወሊዑላ ክኸውን ኣለዎ። መንገዲ ኣየር ሞሃን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዘርግሖ ስእልታት፡ እብ ሞንጎ መወዳእታ ጥርን 20 ሚያዝያን ሽዱሽተ በረራታት ከምዘካየደ ብምጥቃስ እቲ በረራ ረዲኤት ንምምጻእ ምንባሩን እቲ ኣርባዕተ በረራታት ድማ ኣብ ቻይና ዝነበሩ ኢራናውያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ምንባሩ ሓቢሩ። እንተኾነ እቶም ናይ መወዳእታ ካብ ቻይና ናብ ኢራን ዝኣተዉ ኢራናውያን ዝኣተዉሉ ዕለት 5 ለካቲት ምንባሩ ኸኣ ተጠቒሱ ኣሎ። ቢቢሲ ካብ ኣባላት እቲ መንገዲ ኣየርን 'ትራኪንግ ዳታ'ን ዝረኸቦ ሓበሬታን፡ እታ መንገዲ ኣየር ኢራን በረራታት ደው ክብል ድሕሪ ምእዋጃ ናብ ቻይና 157 ግዜ በረራ ከመዘካየደት ከረጋግጽ ክኢሉ እዩ። ኣብ ኢራን ዝርከባ ካልኦት መንገዲ ኣየራት በረራታት ደው ከብላ እንከለዋ፡ ካብ 31 ጥሪ ክሳብ 20 ሚያዝያ ኣብ ዝነበረ ግዜ እታ እንኮ ካብ ኢራን ናብ ቻይና በረራ ተካይድ ዝነበረት መንገዲ ኣየር ሞሃን እያ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ እዛ መንገዲ ኣየር፡ ካብ ኢራን ናብ ካልኦት ሃገራት ዝግበር ዝነበረ በረራታት'ውን ትዓምም ነይራ እያ። ሰብ መዚ ሶርያ ካብን ናብን እታ ሃገር ዝግበር በረራታት ደው ክብል 8 መጋቢት እዮም ኣዊጆም። እንተኾነ መንገዲ ኣየር ሞሃን ድሕሪ እዚ ኣዋጅ'ውን ናብ ሶርያ 8 ግዜ በረራታት ኣካይዳ። መንገዲ ኣየር ሞሃን ናብ ዱባይ 37 በረራታት፡ 19 በረራታት ናብ ቱርኪ ከምኡ'ውን 18 በረራታት ናብ ማልዥያን ታይላንድን ኣካይዳ። እዚ ኹሉ ድማ ኢራን በረራታት ደው ክብል ድሕሪ ምእዋጃ እዩ ተኻይዱ። ኣባላት እዚ መንገዲ ኣየር 'ቃል ከይተምሉቑ' ተባሂሎም እዮም ኣባላት እዛ መንገዲ ኣየር ፡ መንገዲ ኣየሮም ኣብ ምልባዕ ኮቪድ-19 ዝነበራ ተራ ከይዛረቡን ቃል ከየምሉቑን ከም ዝተሓበሮም መርትዖ ናብ ቢቢሲ ኣቕሪቦም'ዮም። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት፡ ልዕሊ 50 ካብ ኣባላት በረራ እዛ መንገዲ ኣየር ምልክታት ኮቪድ-19 ከም ዝተረኣዮም ካብቲ ውሽጢ እቲ መንገዲ ኣየር ዝረኸብናዮ ጽጹይ ሓበሬታ ክንፈልጥ ክኢልና ኢና። ገለ ካብ ኣባላት እዛ መንገዲ ኣየር'ውን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ኣብ እዋን በረራ እኹል መሳርሒታት መከላኸሊ ኮሮናቫይረስ ከም ዘይውሃቦም ከዕዘምዝሙን መረረኦን ከስምዑን ጀሚሮም። ኣብ 27 ለካቲት ኣባላት እዛ መንገዲ ኣየር ንመጀመርታ ግዜ ካብ ቻይና በረራ ምስ ኣካየዱ ነብሶም ንኽውሽቡ እኹል ግዜ ከምዘይውሃቦም ዝገልጽ ጽሑፍ ኣብ ሻርጅ ደይሊ ኣሕቲሞም። ኣብ 18 ሚያዝያ'ውን 1300 ኣባላት እዛ መንገዲ ኣየር ኣብ ምሕደራ እዋን ኮሮናቫይረስ ጥዑይ ኣካይዳ ከምዘይተኸተለ ኣብ ዝገልጽ ክፉት ደብዳበ ፌርመኦም ኣንቢሮም ኣብ ኣቭያ ኒውስ ከምዝሕተም ገይሮም። እቲ ክፉት ደብዳብ ብተወሳኺ፡ መንገዲ ኣየር ሞሃን ምስ ኮሮናቫይረስ ተተሓሒዙ ነቲ ብማሕበር ዓለምለኻዊ በረራታት ክማላእ ኣለዎ ዝብሎ ቅጥዕታት ከማልእ ዘቕረብዎ ተደጋጋሚ ሕቶ ጸማም እዝኒ ከምዝተወሃቡን፡ ትካሎም ነቲ ኣብ ኢራንን ካልኦት ሃገራትን ዝተረኣየ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምልባዕ ተራ ከምዝነበሮ ይውቀስ ምህላዉ'ውን ጠቒሶም ኣለዉ። መንገዲ ኣየር ሞሃን ንኣባላቱ ብዛዕባ እዚ ዘካይዶ ዘሎ በረራታት ዘለዎም ሕቶ ንህዝብን ንመራኸቢ ብዙሃንን እንተ ተዛሪቦም 'ብከቢድ ገበን' ክሕተቱ ምዃኖም ዘፈራርሕ ወረቀት ሂብዎም እዩ። ቅዳሕ ናይዚ ጽሑፍ እዚ ኣብ ኢድ ቢቢሲ ኣሎ። እተን በረራታት ደው ክብል ኣዊጀን ክንሰን መንገዲ ኣየር ሞሃን ናብ ሃገርን በረራ ከካይድ ዝፈቐዳ ሃገራት'ውን ንሕቶታት ቢቢሲ መልሲ ክህባ ፍቃደኛታት ኮይነን ኣይተረኸባን።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52578811"} {"headline":"ኒኩሌራዊ ስምምዕ ኢራን፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝወጠነቶ እገዳ ብሕቡራት ሃገራት ተነጺጉ","content":"ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ 2015 ካብ ልዕሊ ኢራን ተላዒሉ ዝጸንሐ እገዳ ዳግም ምምላስ ዝብል፡ ብኣሜሪካ ዝቐረበ ሓሳብ ነጺጉ። ኣብዚ እዋን ነቲ ባይቶ ዝመርሕ ዘሎ ልኡኽ ኢንዶኔዥያ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣሜሪካ ቅድሚ ክልተ ዓመት ካብቲ ስምምዕ ብምንስሓባ፡ ካብተን 15 ኣባል ሃገራት እተን ዝበዝሓ ነቲ ሓሳብ ከም ዝነጸግኦ ተዛሪቡ። ልኡኽ ኣሜሪካ ግና \"ጸግኢ ግብረሽበራውያን ሒዘን\" ክብል ከሲስወን። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ብወገኑ፡ \"ሕጊ ኣልቦነት\" ንኣሜሪካ ናብ ተነጽሎ ከም ዘእተዋ ተዛሪቡ። ባይቶ ጸጥታ ነቲ ኣብ ኢራን ተነቢሩ ዘሎ ኣብ መፋርቕ ጥቅምቲ ዘብቅዕ እገዳ ኣጽዋር ከናውሕ ብኣሜሪካ ንዝቐረበ እማመ ድሕሪ ምንጻጉ እዩ ምምሕዳር ትራምፕ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ እቲ ኣቐዲሙ ዝተላዕለ እገዳ ናብ ዝነበሮ ክምለስ ዝብል ሓሳብ ኣንቂሉ። ብመሰረት እቲ ኒኩለራዊ ስምምዕ፡ እተን ብፒ5+1 ዝፍለጣ ሓያላን ሃገራት- ቻይና፡ ፈረንሳ፡ ሩስያ፡ ብሪጣንያ፡ ኣሜሪካን ጀርመንን - ኢራን ኒኩለራዊ ኣጽዋር ከም ዘይተማዕብል ዘርእይ ስጉምትታት ብምውሳዳ እቲ እገዳ ክለዓል ተሰማሚዐን። ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኢራን ኒኩለራዊ ኣጽዋር ጨሪሳ ከም ዘይተማዕብልን ባሊስቲካዊ ሚሳይል ናይ ምምዕባል ንጥፈታታ ክተቋርጽ ንምስግዳድን ኣብ 2018 ካብቲ ስምምዕ ብምንስሓቡን ኣብ ልዕሊ ኢራን ቁጠባዊ እገዳታት ብምግባሩን እቲ ስምምዕ ዳርጋ ናብ ምፍራስ ተቓሊዑ ነይሩ። ክሳብ ሕጂ ንእገዳታት ኣሜሪካ ትነጽግ ዘላ ኢራን፡ ካብቲ ኣትያቶ ዝነበረ መብጽኣታት ብርክት ዝበለ ኣንሳሒባ እያ። ሓደ ካብኡ ንጸዓት ከምኡውን ኒኩለራዊ ኣጽዋር ዘገልግል ዝተመሓየሸ ዩራንየም ዘይፍራይ ዝብል እዩ። ዝሓለፈ ሓሙስ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐዮ፡ ኢራን ነቲ ስምምዕ ተፍርሶ ከም ዘላ ዝገልጽ ወግዓዊ ጥርዓን ብምቕራብ፡ ካልኦት ኣባል ሃገራት ባይቶ ጸጥታ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን እገዳ ካብ ምግባር ዝኽልኽል እማመ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ከቕርቡ ሓቲቱ። ንሱ ወሲኹ ብመሰረት እቲ ነቲ ስምምዕ ዘጽደቐ ውሳነ ባይቶ ጸጥታ 2231፡ ኣሜሪካ ጌና ከም ኣባል እቲ ስምምዕ ስለ እትጥቀስ፡ ነቲ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ መሰል ከም ዘለዋ ኣስሚሩ። እንተኾነ ግና እተን ሰለስተ ሓያላን ኣውሮጳ፡ ቻይና፡ ሩስያን ኢራንን ነቲ መርትዖ ነጺገንኦ። ብሰሉስ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ቨርቹዋል (ናይ ኢንተርነት) ኣኼባ ተወካሊ ኢንዶኔዥያ ዳያን ትራያንስያ ድጃን ንጻውዒት ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ \"ባይቶ ጸጥታ ተወሳኺ ስጉምቲ ንምውሳድ ድልው ኣይኮነን\" ኢሉ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53923116"} {"headline":"ኢራን፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ትእዛዝ ኣመሓላሊፋ","content":"ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብቕትለት ኢራናዊ ጀነራል ቃስም ሱሌማኒ ተኸሲሱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣቱ፡ ኢራን ትእዛዝ ኣመሓላሊፋ። ኢራናዊ ዓቃቢ-ሕጊ ዓሊ ኣለቃሲመር ከም ዝበሎ፡ ትራምፕ ዝርከቦም 35 ውልቀሰባት፡ ብቕትለት ኢራናዊ ጀነራል ቃስም ሱሌማኒን ግብረሽበራን ተኸሲሶም ኣብ ቀይዲ ክኣትው ንዓለምለኻዊ ውደብ ሓይሊ ፖሊስ (ኢንተርፖል) ሓቲቱ። ዓለምለኻዊ ውደብ ሓይሊ ፖሊስ ግን፡ ኣብቲ ጉዳይ ኢዱ ከምዘየእቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣነጺሩ። ወኪል ኣመሪካ ኣብ ኢራን፡ እቲ ዝተዋህበ ትእዛዝ ፖሮፖጋንዳዊ መናውራን ትርጒም ዘይብሉን ክብል ገሊጽዎ። ምክትል ወጻኢ ጉዳያት ኢራን፡ ቤት-ፍርዲ ኢራን ኣብ ቀረባ እዋን ነቶም ንጀነራል ሱሌማኒ ዝቐተሉ ዝበሎም ክሲ ከምዝምስረተሎም ሓቢሩ። ኢራን፡ እዞም ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ፍትሒ ክሳብ ዝርከብ፡ ጻዕራ ጠጠው ከምዘይተብሎ'ውን ወሲኹ ኣረዲኡ። ጀነራል ሱሌማኒ፡ ብትእዛዝ ፕረዚደንት ትራምፕ'ዩ ብመጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣመሪካ፡ ኣብ ውሽጢ ዒራቕ ተቐቲሉ። እዚ ኣብ መበል 62 ዓመቱ ዝተቐትለ ጀነራል፡ ከም ቀንዲ ሃንዳሲ ወታሃደራዊ ምትእትታዋት ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ ላዕለዋይ ኣዛዚ'ዩ። ኣመሪካ፡ ነዚ ጀነራል ኣብ ሽውዓተ ክፍለ-ዓለማት፡ ኣብ 5 ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣካይዱ ክትብል ትኸሶ ነይራ። ኢራን ከም ግበረመልሲ ናይቲ \"ግብረሽበራዊ\" ዝበለቶ ቅትለት ጀነራላ፡ ኣብ ዒራቕ ዝርከቡ መዓስከራት ኣመሪካ ብሚሳይል መጥቃዕቲ ምክያዳ ይፍለጥ። እዚ ብኢራን ዝተዋህበ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ፡ መርኣያ እቲ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ዘለዋ ጽልኢ እምበር ብዙሕ ትርጉም ከምዘለይብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ ይሕብሩ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/53229388"} {"headline":"ኤፍ ቢ ኣይ፡ ኢራንን ሩሲያን ናይ ኣመሪካውያን መረጽቲ ሓበሬታ ኣለወን ኢሉ","content":"ሰበ ስልጣን ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ፡ ኢራን ንመረጽቲ ሰልፊ 'ዴሞክራት' ዘፈራርሑ መልእኽታት (ኢሜይል) ልኢኻ ክብሉ ከሲሶም። እዞም መልእኽታት፡ ካብ ሕሉፍ የማናዊ ደገፍቲ ትራምፕ ዝተልኣኹ ዝመስሉ'ኳ እንተኾኑ፡ 'ነዚ መልእኽቲታት ዝሰደደቶ ግን ኢራን እያ' ኢሎም ሰብ መዚ ኣመሪካ። እዚ ድማ “ናዕቢ ንምልዕዓል” ዝዓለመ እዩ ክብል ዳይሬክተር ሃገራዊ ትካል ስለያ ጆን ራትክሊፍ ተዛሪቡ። ብተወሳኺ፡ ኢራንን ሩሲያን ገለ “ሓበሬታ ምዝገባ መረጽቲ” ከም ዝረኸቡ፡ 'በጺሕናሉ ኢና' ኢሎም ሰበ ስልጣን ኣመሪካ። መረጻ ኣመሪካ 2020፡ ድሮ 13 መዓልታት ከም ዝተረፎ ይፍለጥ። መዓልቲ መረጻ ኣብ ዝቐረበሉ ዝተዋህበ እዚ ዘይተለመደ መግለጺ ትካል ስለያ ኣመሪካ፡ መንግስቲ ድምጺ ኣብ ምውሃብ ከጋጥም ዝኽእል ናይ ወጻኢ ኢድ ኣእታውነት ከምዘሻቐሎ ዘርእይ እዩ። ዳይሬክተር ሃገራዊ ትካል ስለያ ጆን ራትክሊፍ፡ እዞም ካብ ኢራን ዝተላእኹ “መደናገርቲ ኢሜይላት” ኣመሪካ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ዝፈጥሩ ኢላ ካብ እትኸሶም ‘ፕራውድ ቦይስ’ ተባሂሎም ካብ ዝጽውዑ ሕሉፍ የማናዊ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ዝርከብሉ ጉጅለ ከም ዝተላእኸ ብምምሳል፡ “ንመረጽቲ ንምህዳድ፣ ንምንዓብን ጉድኣት ንምብጻሕን’ዩ” ኢሉ። እዚ ናይ መረጽቲ መረዳእታ፡ “ናብ መረጽቲ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምልኣኽ፡ ምድንጋርን ናዕብን ፈጢርካ ኣብ ዴሞክራሲ ኣመሪካ ዘሎ ምትእምማን ንክጎድል” ክጥቀምሉ ይኽእሉ’ዮም ብምባል ተዛሪቡ። ዳይሬክተር ሃገራዊ ስለያ ራትክሊፍ፡ ሰበ ስልጣን እቲ ትካል “ካብ ወገን ሩሲያ ተመሳሳሊ ተግባር ኣይርኣዩን” ክብል እንከሎ፡ ናይ ገለ መረጽቲ ሓበሬታ ግን ኣለዋ እዩ ኢሉ። ኣብ ብርክት ዝበላ ግዝኣታት ኣመሪካ ናይ መረጽቲ ሓበሬታ ሓቲትካ ምርካብ ዝከኣል ኮይኑ፡ መን’ዩ ክሓትት ዝኽእል፣ እንታይ ዓይነት መረዳእታ’ዩ ዘሎ፣ ንምንታይከ ክውዕል ይኽእል ግን ካብ ግዝኣት ናብ ግዝኣት ይፈላለ እዩ። ኣብ መረጻ ኣመሪካ 2016 እውን፡ ሩሲያ ብኢድ ኣእታውነት ትኽሰስ ምንባራ ይዝከር። ኣብዚ እዋን ዝኾነ ዓይነት ጸገም ከጋጥም ኣይኽእልን ብምባል መረጽቲ ዓርሰ እምነቶም ከይጎድል ዳይሬክተር ኤፍቢኣይ ክሪስቶፈር ረይ ሓቲቱ። እንተኾነ፡ እቲ ኣብ ኢድ ኢራንን ሩሲያን ኣሎ ዝብሃል ሓበሬታ መረጽቲ ከመይ ኢሉ ወጺኡ ንዝብል፡ እዞም ሰበ ስልጣን ዝሃቡዎ መብርሂ የለን።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54641321"} {"headline":"ኢራን ናይታ ዘውደቐታ ነፋሪት ዩክሬን፡ ብላክ ቦክስ፡ ናብ ፈረንሳይ ሰዲዳ","content":"ኢራን ነታ ናይ ዩክሬይን ነፋሪት ኣብ መጀመርታ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ እያ ብጌጋ ወቒዓ ኣብ ርእሰ ከተማ ቴህራን ኣውዲቓታ። ሕዚ ኸኣ፤ እታ ነፋሪት ኣብ ዝወደቐትሉ እዋን ንዝነበረ ኹነታት ዘብርህ፡ ብላክ ቦክስ እናተብሃለ ዝጽዋዕ መኽዘን ሓበሬታ፡ ንምርመራ ናብ ፈረንሳይ ሰዲዳቶ። እቶም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ 176 ሲቪል ተሳፈርቲ፡ ሽዑ ንሸዑ እዮም ሞይቶም። ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ እቲ ብላክ ቦክስ ዓርቢ ከምዝተሰደደን ጽባሕ ከምዝረአን ኣፍሊጡ። እቲ ሓደጋ ነፋሪት፡ ኢራን ምስ ኣመሪካ ኣብ ወጥሪ ኣብ ዝነበራሉ እዋን ዘጋጠመ ኾይኑ፡ ኣብ መጀመርታ ኢራን ኣይወዓልክዎን ኢላ ክሒዳ ነይራ። እንተኾነ ብዙሕ ከይጸንሐት፡ ገለ መንግስታዊ ሓለፍቲ ምዕራባውያን፡ ኣብ ስለላ ተመርኲሶም ነቲ ተግባር ምስ ኣቃልዑ ኣሚና። ኢራን፡ ነታ ነፋሪት ብጌጋ ምስ ክሩይዝ ሚሳኤል ከምዝተመሳሳለታ ገሊጻ ነይራ። እንተኾነ፡ ፕረዚደንት ዩክሬይን ሓሰን ሩሃኒ፡ ‘ይቕረ ዘይበሃሎ ስሕተት’ ክብል እዩ ገሊጽዎ። ሓይሊ ኣየር ኢራን ኣብቲ እዋን ብተጠንቀቕ እዩ ጸኒሑ ነይሩ። እታ ነፋሪት ቅድሚ ምውዳቓ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት፡ ንቅትለት ላዕለዋይ ጀነራላ፡ ቃሲም ሱሌማን ሕነ ንምፍዳይ፡ ኣብ ዒራቅ ዝርከቡ ክልተ ነቑጣታት ኣመሪካ ብባላስቲክ ሚሳኤል ኣጥቂዓ ነይራ። እቲ መኽዘን ሓበሬታ፡ ንኹነታት እቲ ሓደጋ ዘርኢ ሓበሬታ ዝርከበሉ ኮይኑ፡ ሓደጋ እንተጋጥምን ኣብ መንጎ ሃገራት ዘይምርድዳእ እንተተፈጢሩን ንዕኡ እዩ ምርመር። ኢራን ነቲ ብላክ ቦክስ ንክትህብ ደንጉያ እያ ፍቓደኛ ኮይና። እታ ሃገር ነቲ ምርመራ ብላዕለዋይነት ናይ ምምራሕ መሰል እንተሃለዋ’ኳ፡ ዓለም ለኸ ሰብ ሞያ እዮም ዝምርምርዎ። ብፍላይ ኣብ'ዚ መርመራ፡ ሰብ ሞያ ፈረንሳይ ዝሳተፍሉ ኾይኑ፡ ኣብቲ ሓደጋ 55 ዜጋታት ዝሰኣነት ካናዳ፣ ከምኡ ድማ ዩክሬይን ኣብቲ መርመራ ሰብ ሞያ ልኢኸን ክሳተፋ ሕቶ ኣቕሪበን ኣለዋ። ኢራን እንታይ ኢላ? ኢራን ብውልቃኣ መርመራ ዘካየደት ኮይና፡ ሰባዊ ጌጋን ትሑት ወተሃደራዊ ርክብን ምኽንያት እቲ ሓደጋ ከምዝኾነ ኣፍሊጣ እያ። ሚኒሰተር ጉዳያት ወጻኢ ግን፡ እቲ ጸብጻብ ዘይማዕበለን ቅድሚ ዓለም ለኻዊ መርመራ ምክያድ ዝወጸን ክብል ነቒፍዎ። ኢራን ዛጊድ ኣብቲ ሓደጋ ኢድ ነይርዎም ንዝበለቶም፡ ሽድሽተ ሰባት ኣሲራ ኣለ። እቲ ሓደጋ ብጌጋ ከምዝተፈጸመ ዛጊድ ኣብ ስምምዕ ኣይተበጽሐን።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53462626"} {"headline":"ሓሙሽተ ምኽንያታት ኣገዳስነት ስምምዕ እስራኤል ምስ ኢመራትን ባሕሬንን","content":"ሎሚ መዓልቲ ላዕለዎት ጉጅለ ልኡኽ እስራኤልን ሕቡራት ዓረብ ኢመራትን፡ ኣመሪካ ዘሳለጠቶ ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም ዝምልከት ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ክፈራረሙ'ዮም። ብተወሳኺ፡ ብዝሓለፈ ሰሙን ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ባሕሬን ኣብቲ መድረኽ ተረኺቡ ሃገሩ ምስ እስራኤል ዝነበራ ዝምድና ናብ ንምምሕያሽ ዘኽእሎ ስምምዕ ከም ዝፍርም ተዛሪቡ ነይሩ። ስምምዕ እዘን ሃገራት ስለምንታይ ኣገዳሲ ኮይኑ? 1. ሃገራት ወሽመጥ ምስ እስራኤል ንግድን ካልእን ይጥምታ እዚ ሓድሽ ስምምዕ፡ ነታ ብወተሃደራዊ ሓይሊ፣ ንግድን ቱሪዝምን ዝገበለት ኢመራት ፍናን'ዩ። ጎና ጎኒ ኣመሪካ እቲ ኣብ ሕሉፍ ንሕቡራት ዓረብ ኢመራት ቃል ዝኣተወትላ መሸጣ ዘመነዎት ኣጽዋር ድሮ ከተቕርበላ ምጅማራ ዘመላኽት'ውን ይመስል። እዚ፡ ኤፍ - 35 ከምኡ'ውን ኢኤ - 18ጂ ዝዓይነተን ምዕቡላት ናይ ውግእ ነፈርቲ ዘጠቓለለ ኣጽዋር'ዩ። ሕቡራት ዓረብ ኢመራት ድሮ እቶም ዘለውዋ ምዕቡላት ኣጽዋር ኣብ ሊብያን የመንን ተጠቒማትሎም'ያ። ግንከ፡ በቲ ኻልእ ሸነኽ ወሽመጥ ዓረብ ዝተሰለፈት ገና ዘየረከበትላ ጸላኢት ሃገር ኣላታ፤ ኢራን። እስራኤልን ኣመሪካን ድማ ተኻፈልቲ ኢመራታውያን ብዛዕባ ኢራናውያን ዘለዎም ጥርጣረ እየን። ባሕሬን'ውን። ክሳብ 1969 ኢራን ባሕሬን ኣካል ግዝኣተይ'ያ ክትብል ምጽንሓ ይፍለጥ። መራሕቲ ሱኒ ዝኾኑ ባሕሬናውያን ድማ ነቶም ኣብ ኢራን ዘለው ፍንጻሕ መሰንገሎም ዝኾኑ ሺዓ ዓምዲ ኢራን ገይሮም ይቖጽሩዎም። ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ግን ብውሑድ ምስ እስራኤል ሰላም ፈጢረን ኣለዋ። ብቐጻሊ፡ ምስ እስራኤል ብወግዒ ንግዳዊ ልውውጥ ክህልወን የዕጽበያ። እስራኤል፡ ኣብ ዓለም ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎም ናይ ቴክኖሎጂ ትካላት ዘለውዋ ምዃና ክዝንጋዕ የብሉን። ካብ ኮቪድ ወጻኢ ድማ፡ እስራኤላውያን ምዝዋር ፈተውቲ ስለ ዝኾኑ፡ በረኻታት፣ ገምገም ባሕርን ዓበይቲ ሹቓት ወሽመጥ ዓረብን ከም ባሕሪ ክሕምሱሎም'ዮም። ስለዚ፡ እዘን ሃገራት ሃይሃይታ እንካ ሃባ'ዶ ኣይፈጠራን? 2. እስራኤል ኣብቲ ዞባ ዝነበራ ተነጽሎ ትንኪ ምስ ሕቡራት ዓረብ ኢመራትን ባሕሬንን ርክባትካ ምልዛብ ንእስራኤል ዓብዪ ዓወት'ዩ። ቐዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታኒያሁ ኣማኒ ካብ 1920ታት ኣትሒዙ ኣብ መንጎ ኣይሁዳዊት ሃገርን ዓረብን ዘሎ \"መንደቕ ሓጺን\" ተባሂሉ ዝግለጽ ርክብ እዩ። እዚ ክልሰ ሓሳብ፡ ኣብ መወዳእታ ጥንካረ እስራኤል ሃገራት ዓረብ ንእስራኤል ኣፍልጦ ካብ ምሃብ ወጻኡ ካልእ ኣማራጺ የብለንን ዝብል'ዩ። ግን ድማ እስራኤል፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝገጠማ ተነጽሎ ኣይትፈትዎን። ምስ ግብጽን ዮርዳኖስን ሙውቕ ሰላም ነይሩዋ ኣይፈልጥን። ኣንጻር ኢራን ንምግጣም ልፍንትኻ ምጥንኻር ካልእ ተደማሪ ከስቢ'ዩ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኔታኒያሁ ኢራን ቀንዲ ጸላኢት እስራኤል ገይሩ'ዩ ዝጥምታ፤ መራሕቲ ኢራን ምስ ናዚ'ዩ ዘወዳድሮም። ብተወሳኺ ኔታኒያሁ ኣብ ሃገሩ ፈተና ከም ዝገጠሞ ክዝንጋዕ የብሉን፤ ብብልሽውና ተኸሲሱ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክወርድ ይኽእል'ዩ። ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምቁጽጻር ዝነበሮ ጽቡቕ ጅማሮ መወዳእትኡ ኣየጸበቐሉን። ተቓወምቱ ድማ ወትሩ ኣብ ጥቓ መንበሪ ገዝኡ ሰልፊ ከካይዱ'ዩ ዝስትውዓል። 3. ጽዋዕ ዕልዋ ፖሊሲ ጉዳይ ወጻኢ ንዶናልድ ትራምፕ እዚ ስምምዕ ብዝተፈላለየ መልክዑ ንፕሬዝደንት ኣመሪካ ክጠቕሞ'ዩ። ኣብ ልዕሊ ኢራን \"ልዑል ጸቕጢ\" ምሕዳር ናይ ዝብል ስትራቴጂ ዓብዪ ምዕባለ'ዩ። ብተወሳኺ፡ መረጻ ቐሪቡ ስለ ዘሎ ኣብ ዓለም ብሉጽ ፈጣሪ ስምምዕ'የ ንምባል ከኽእሎ'ዩ። ዝኾነ ንእስራኤል ዝጠቅም ወይ'ውን ንመንግስቲ ኔታንያሁ ዘርብሕ ክገብር እንከሎ፡ ኣብ እዋን መረጻ ካብ ኣመሪካውያን ክርስቲያን ወንጌላውያን መረጽቲ ዝሓሸ ድምጺ ክረክብ የኽእሎ። ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ምስ እስራኤል ብዛዕባ ዝህልወን ርክብ ግልጺ ምስ ዝኸውን ኣንጻር ኢራን ዝሰርሕ \"መሓዙት ኣመሪካ\" ዝብል ጥምረት ዚያዳ ይጠናኸር። ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ እዚ \"ውዕሊ እዚ ክፍለ ዘመን\" ክብል ዝገለጾ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ኢመራትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ፈላማይ ኣይኮነን። \"ውዕሊ ኣብርሃም\" ተባሂሉ ዝፍለጥ ስምምዕ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበረ ናይ ሓይሊ ሚዛን ዓብዪ ለውጢ ከምጽእ ዝገበረን ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ከም ሓደ ዕልዋ ፖሊሲ ጉዳይ ወጻኢ ገይሩ ዘቕረቦን እዩ። 4. ፍልስጤማውያን ክሕደት ይስምዖም ፍልስጤማውያን ሕጂ'ውን ሕጉሳት ኣይኮኑን። እቲ ቐደም ንስምምዕ ኣብርሃም ከም ክሕደት ክብሉ ኮኒኖምዎ'ዮም። እዚ ሓድሽ ስምምዕ ድማ ዋጋ ምስ እስራኤል ዝፍጠር ንቡር ርክብ ንፍልስጤማውያን ናጽነት'ዩ ዝብል መርገጺ ሃገራት ዓረብ ዝነበረ ዘፍርስ'ዩ። እስራአል ምስ ሃገራት ዓረብ ሓድሽ ህዝባዊ ርክባት ትፈጥር ኣብ ዘላትሉ እዋን፡ ኣብ ምብራቕ እየሩሳሌምን ዌስት ባንክን ጎቢጣትና'ዮም ዝብሉ ፍልስጤማውያን ምስ ኩርኦም ኣለው። ልኡል ኢመራት መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያኑ [ምስለ መራሒ ኢመራት] ግን ዋጋ ምስ እስራኤል ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ ውስት ባንክ ዘሎ ጎበጣ እስራኤል ደው ንምባል'ዩ ኢሉ። ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ግን ዓለምለኻዊ ጸቕጢ ይበጽሖ ስለ ዘሎ፡ 'ንሕጂ ድሓን' ኢሉ ዝተቐበሎ ይመስል። ኢመረታውያን ድማ ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ዝመስል ጋሕማጥ ወይ ጠገለ ዘይብሉ ፖለቲካዊ መዋጽኦ ቀሪቦምሉ'ዮም። እቲ ጸገም፡ ባሕሬን'ውን ኣካል እቲ ሓድሽ ውዕሊ ሰላም ምዃና ፍሌስጤማውያን ተወሳኺ ታህዋኽ ክፈጥረሎም'ዩ። እዚ ካብ ፍቓድ ስዑዲ ዓረብ ወጻኢ ፈጺሙ ዝኸውን ኣይኮነን። ስዑዳውያን ደረስቲ እቲ ንፍልስጤም ናጻ ዘውጽአ ትልሚ ስምምዕ ሰላም ዓረብ'ዮም። 5. ሓድሽ ስትራቴጂካዊ ፍልጸት ርእሲ ንኢራን እዚ ሓድሽ ምሕዝነት ብመራሕቲ ኢራን'ውን ተቐባልነት ኣይረኸበን። ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዘንበሮ ማዕቀብ ከቢድ ቑጠባዊ ጸቕጢ የሕድር ምህላው ይፍለጥ። ሕጂ ድማ ሓድሽ ስትራቴጂካዊ ግድል ገጢሙዎም ኣሎ። መበገሲ ነፈርቲ ውግእ እስራኤል ካብ ኢራን ኣዝዩ ርሑቕ'ዩ። ናይ ሕቡራት ዓረብ ኢመራት ግን ኣብ ማያት ወሽመጥ ዓረብ'ዩ። ስለዚ፡ ኣብ ልዕሊ ቦታታት ኒኩለር ኢራን መጥቃዕቲ ንምፍጻም እንትድለ ናይ ቐረባ ኣማራጺ ኣይስኣንን ማለት'ዩ። ሕጂ እስራኤል፣ ኣመሪካ፣ ባሕሬንን ኢመራትን ሓደሽቲ ኣማራጺታት ኣለወን።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54157737"} {"headline":"ኢራን ንቕትለት ተመራማሪ ኒኩሌር ሃገራ ሕነ ከምእትፈዲ ገሊጻ","content":"ኢራን፡ ኣብ ልዕሊ ቀንዲ ተመራማሪ ኒኩሌር ሃገር ዝኾነ ሞህሲን ፋክሪዛዴህ ንዝተፈጸመ ቕትለት ሕነ ከም እትፈዲ ኣፍሊጣ። ፋክሪዛዴህ፡ ትማሊ ኣብ ቴህራን ብዘይፈልጡ ሰባት ብዝበጽሖ መጥቃዕቲ ናብ ሆስፒታል ምስ ኣተወ ህይወቱ ሓሊፋ። ወተሃደራዊ ኣማኻሪ መራሒ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ኣያቶላ ሰይድ ዓሊ ኻመናኒ ዝኾነ ሆሴን ዲጋን፡ አብ ልዕሊ እቲ ቕትለት ዝፈጸሙ ሰባት ኢራን \"ሃንደበዳዊ መጥቃዕቲ\" ከም እትወስድ ኣፍሊጡ። ትካላት ስለያ ምዕራባውያን ከም ዝሓበርዎ፡ እቲ ተመራማሪ፡ ኢራን ብሕቡእ ተካይዶ እያ ዝብሉዎ ፕሮግራም ህንጸት ኣጸዕዋር ኒኩሌር ኣለው ካብ ዝብሃሉ ተመራመርቲ ሓደ እዩ። ይኹን'ምበር፡ ኢራን እቲ ምምዕባል ፕሮግራም ኒኩሌር ንሰላማዊ ዕላማ ዝውዕል ምዃኑያ እትገልጽ። ድሕሪ ቕትለት ፋክሪዛዴህ መግለጺ ዝሃበ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ መሓመድ ጃቫድ ዛሪፍ፡ እቲ \"ብሃገር ዝተመወለ ግብረሽበራ\" ዝበሎ፡ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ክኹንኖ ሓቲቱ። \"ግብረ ራዕዳውያን፡ ፍሉጥ ኢራናዊ ተመራማሪ ቐቲሎም\" ክብል'ውን ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። መጠን ኢራን ተማዕብሎ ዘላ ዩራኒየም ከም ዝወሰኸ ዝሕብር ስግኣት ምስተገለጸ'ዩ ሞት እቲ ተመራማሪ ተሰሚዑ። ትማሊ ዓርቢ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢራን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ \"ዕጡቓት ግብረሽበራውያን ኣብ ውሽጢ እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ምርምርን ምህዞን ዝኾነ ሞህሲን ፋክሪዛዴህ ዝጉዓዘላ ዝነበረት መኪና መጥቃዕቲ ፈጺሞም'ዮም\" ኢሉ። ሓለውቲ እቲ ተመራማሪ ምስቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ናይ ተኹሲ ልውውጥ ከም ዝነበሮም ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብ ሞንጎ እዚ \"ሞህሲን ብጽኑዕ ቖሲሉ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ\" ክብል ኣብሪሁ። ሰብ ሞያ ሕክምና ህይወቱ ንምድሓን ዝገበሩዎ ጻዕሪ ስለ ዘይሰለጠ ድማ ከም ዝሞተ እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኢራን ዝኾነ ማጂድ ታካት ራቫንቺ፡ ቕትለት እቲ ተመራማሪ ኣብቲ ከባቢ ቅልውላው ንምፍጣር ኾነ ተባሂሉ ዝተፈጸመን ዓለምለኻዊ ሕጊ ዝጠሓሰን እዩ ብምባል፡ ኣብዚ ኢድ ኣእታውነት እስራኤል ምህላው ዘመላኽት መረዳእታ ኣለና ኢሉ። ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ቅድሚ ክልተ ዓመት ብዛዕባ ፕሮግራም ኒኩሌት ኢራን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሽም እቲ ተመራማሪ ኣልዒሉ ነይሩ። ይኹን'ምበር፡ እስራኤል ኣብ ጉዳይ ቕትለት እቲ ተመራማሪ ዝሃበቶ መግለጺ የለን።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/55113069"} {"headline":"ኣብ መጥቃዕቲ 'ቦንባ' ውዲት ነይሩዎ ዝተባህለ ኢራናዊ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ'ዩ","content":"ኣብ ፈረንሳ፡ ኣብ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ መንግስቲ ኢራን ኣብ ዝነበረ ሰልፊ፡ መጥቃዕቲ ቦንባ ክበጽሕ ውዲት ፈጺሙ ዝተባህለ ኢራናዊ ዲፕሎማትን በልጁማውያን መጻምድን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቤልጅም አብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ'ዮም። እዞም ትውልዲ ኢራናውያንን ዜጋታት ቤልጅምን ዝኾኑ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ብ2 ሰነ 2018 ካብታ ዝነብሩላ ከተማ ኣንትዌራፕ ንምዝናይ ናብ ላክሰምበርግ ከም ዝመጽኡ ፖሊስ ገሊጹ። ኣሚር ኤስ ናስሙህ ኤንን ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ መጻምዲ፡ ኣብ ከተማ ብላክስምበርግ ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤት ብልዒ ኣብ መወዳእታ 40ታት ዕድመ ምስ ዝርከብ ሓደ ወልቀሰብ ከም ዝተራኸቡ ተገሊጹ። እዞም መጻምዲ ካብቲ ውልቀሰብ ሓደ ዝተጠቕለለ ነገር ምስ ተቐበሉ ናብ ቤልጅም ከም ዝተመለሱ ፖሊስ ኣፍሊጡ። ሙሉእ ምንቅስቓስ እዞም መጻምዲ ኣብ ትሕቲ ሰብ ሞያ ድሕነት ኤውሮጳ ከም ዝነበረ ክግለጽ እንከሎ፡ እቲ ኣብ ሓደ ቤት ብልዒ ረኺቦምዎ ዝተባህለ ውልቀሰብ ኣብ ውሽጢ ኤምባሲ ኦስትሪያ ዝሰርሕ ኢራናዊ ዲፕሎማት ኣሳዶላህ ኣሳዲ እዩ ተባሂሉ ኣሎ። እቲ ዲፕሎማት ነቶም መጻምዲ ዝሃቦም ዝተጠቕለለ ነገር፡ ሓደ ኪሎ ግራም ዝምዘን ቲኤቲፒ ዝተባህለ ዝባራዕ ነገርን ብርሕቐት ንምፍንጃር ዝሕግዝ ጥረ ነገር ሒዙ ከምዝነበረ ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ዲፕሎማት፡ እቶም መጻምዲ ብ30 ሰነ 2018 ኣብ ከተማ ፈረንሳ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ መንግስቲ ኢራን ነቲ ቦንባ ከፈንጅሩ ትእዛዝ ከም ዝሃቦም ፖሊስ ይገልጽ። እቲ ሰልፊ ተቓውሞ ዘዳለወ ሰልፊ፡ እስላማዊ መንግስቲ ሪፐብሊክ ኢራን ካብ ስልጣን ንክወርድ ዝንቀሳቐስ ሰልፊ እዩ። እዚ ኤንሲኣርኣይ ዝተባህለ ሰልፊ፡ መንግስቲ ኢራን \"ጉጅለ ግብረ ራዕዲ\" ኢሉ ዝኸሰሶ እዩ። ሰለስቲኦም ጥርጡራት ውልቀሰባት ኣብ ቤት ብልዒ በላክሰመበርግ ምስ ተራኸቡ ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልቲ ክትትል ብሰራሕተኛታት ድሕነት ኤውሮጳ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተው ተሓቢሩ። እቶም ጥርጡራት መጥቃዕቲ ግበረ ራዕዲ ብምእላምን ምድላውን ብምግባርን ብዝብል ገበን ራዕዲ ከም ዝሕተቱ ክግለጽ እንከሎ፡ ፈረንሳ ብወገና እቲ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ሚኒስትር ድሕነት ኢራን ምስቶም ውልቀሰባት ተሓባቢሩ እዩ ክትብል ትኸስስ። ቤልጅም ድማ፡ ኣሚር ኤስ ዝተባህለ ዜጋኣ፡ ብ2012 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ብሰራሕተኛታት ድሕነት ኢራን ተመልሚሉ እዩ ትብል። ብተወሳኺ ኣሚር ኣብ ጀርመንን ኦስትሪያን ምስ ዲፕሎማት ኣሳዲ ንብርክት ዝበለ ግዜ ተራኺቡ እዩ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55098008"} {"headline":"ኣብ ተህራን ብዘጋጠመ ነትጒ ብውሕዱ 19 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ርእሰ ከተማ ኢራን፡ ኣብ ሓደ ክሊኒክ ብዘጋጠመ ነትጒ ብውሕዱ 19 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊጸም። በቲ ኣብ ሲና ኣታር ዝተባህለ ክሊኒክ ዘጋጠመ ነትጒ ብዙሓት ሰባት ክህረሙ እንከለዉ መጠን ሞት ካብዚ ተባሂልዎ ዘሎ ክውስኽ ከምዝኽእል ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊጾም። ብመንግስቲ ኢራን እትውነን መደበር ዜና ንሰብ መዚ እታ ሃገር ብምጥቃስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቲ ነትጒ ብዝልሓዅ ጋዝ ኣጋጢሙ ክትበል ጸብጺባ። ኣብታ መደበር ቴሌቪዥን ዝተራኣየ ምስሊ ብርቱዕ ትኪ ንሰማያት እታ ከተማ ዓብሊኽዎ ምንባሩን፡ ኣጥፋእቲ ሓዊ ነቲ ባርዕ ድሕሪ ሓያለ ሰዓታት ክቆጻጸርዎ ከምዝኽኣሉን የርኢ። መብዛሕትኦም ግዳያት እቲ ባርዕ ደቂ ኣንስትዮን ምዃነን'ውን እቶም ሰብመዚ ገሊጾም። ውሃቦ ቃል መጥፋእቲ ሓዊ ከተማ ታህራን ጃላ ማልኪ ገለ ካብቶም ግዳያት “ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ ኣብቲ ክፍሊ መጥባሕቲ ገሊኦም ንመጥባሕቲ ዝጽበዩ ዝነበሩ ገሊኦም ድማ ንዓኦም ዘሰንዩ ዝነበሩ እዩም” ኢሉ። ንሱ፡ ብምስዓብ መጥፋእቲ ሓዊ 20 ሰባት ከድሕኑ ምኽኣሎ እ ጥቂሱ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53245629"} {"headline":"ንህጻናት ብኢንስተግራም ዝሸጡ ደለልቲ ተታሒዞም","content":"ኣብ ኢራን፡ ክልተ ህጻናት ንምሻጥ ብኢንስተግራም እናወዓዓሉ (እናደለሉ) ዝነበሩ ሰለስተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ውዒሎም። ኣዛዚ ፖሊስ ቴህራን፡ ብርጋዴር ጀነራል ሑሴን ራሂሚ፡ እቲ ሓደ ህጻን ካብ ዝውለድ 20 መዓልቲ ከም ዘይመልኦ ብምግላጽ፡ እታ ኻለአይቲ ድማ ናይ ክልተ ወርሒ ህጻን ከም ዝኾነት ሓቢሩ። እቶም ደላሎ፡ ነዞም ህጻናት ከስቢ ረኺቦም ንምሻጥ ብምሕሳብ፡ ብ 500 ዶላር ዝዓደጉዎም ኮይኖም፡ ብኢንስተግራም ብ 2 ሽሕ ዶላር ክሸጥዎም ኣብ ዝፍትንሉ’ዮም ተታሒዞም። ካብ ሓደ ህጻን ካብ 1500 ሽሕ ክሳብ 2 ሽሕ ዶላር፡ ከስቢ ንምርካብ ሓሲቦም ነይሮም ድማ ተባሂሉ። ካብቶም ጥርጡራት እቲ ሓደ፡ ነዞም ህጻናት ካብ ድኻ ስድራቤት ስለ ዝረኸብናዮም፡ ዝሓሸ ናብራ ንክረኽቡ ኢና ክንሸጦም ሓሲብና ኢሉ። ብርጋዴር ጀነራል ራሂሚ፡ እቶም ህጻናት ንመሸጣ ከም ዝቐረቡ ብኢንስተግራም መወዓውዒ ተሰሪሑ ምስ ተባህለ፡ ብዝተገብረ ክትትል ኢና ኣብ ቀይዲ ኣኣእቲናዮም ኢሉ። ነዞም ህጻናት ንምሻጥ ድማ፡ በዓል 15 ገጽ ስምምዕ ከም ዝተዳለወን፡ ስእሊ ክልቲኦም ህጻናት ከም ዝተረኽበን ወሲኹ ገሊጹ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቶም ህጻናት ናብ ማእከል መናበዪ ህጻናት ክኣትው ተገይሩ ኣሎ። ብርክት ዝበሉ ኢራናውያን፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንወሊድ ዘለዎም ድልየት ስለ ዝነከየ፡ ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ሓደሽቲ ዝውለዱ ህጻናት ይንኪ ከም ዘሎ መንግስቲ ገሊጹ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53175909"} {"headline":"ኢራን ብኮሮናቫይረስ ዘጋጠማ ሞት ከምዝሓብአት ልሒኹ ዝወጽአ ሓበሬታ ኣቃሊዑ","content":"ኣብ ኢራን ቑጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ሰለስተ ዕጽፊ ካብቲ መንግስቲ ዝብሎ ከም ዝኾነ፡ ቢቢሲ ዘካየዶ መርመራ ኣረጋጊጹ። ክሳብ 20 ሓምለ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ 42 ሽሕ ሰባት ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ከም ዝሞቱ ዘርኢ ጸብጻብ መንግስቲ'ኳ እንተሃለወ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ወግዓዊ ዝገበሮ ብዝሒ ግን 14 ሽሕን 405 እዩ። ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት'ውን እንተኾነ ክልተ ዕጽፊ ካብቲ መንግስቲ ዝብሎ'ዩ። 451,024 እናሃለወ፡ መንግስቲ ግን 227,827 እዩ ዝብል። ካብ ቻይና ወጻእ፡ ኢራን ካብተን ኣዝየን ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዓ ሃገራት እያ ነይራ። ኣብ ቀረባ ሰሙናት፡ ደግሲ ለበዳ እቲ ቫይረስ ክርኣይ እንከሎ፡ ቁጽሪ መልከፍቲ ሓፍ ኢሉ'ዩ። ኣብ ኢራን፡ ብ22 ጥሪ 2020 ፈላማይ ብኮሮናቫይረስ ዝሞተ ሰብ ከም ዝተመዝገበ፡ እቶም ናብ ቢቢሲ ዝተልኣኹ ሰነዳት ሕክምና የረጋግጹ። እዚ ድማ፡ መንግስቲ ብወግዒ ብኮሮናቫይረስ ዝሞተ ሰብ ከም ዘሎ ቅድሚ ምእዋጁ ቅድሚ ሓደ ወርሒ'ዩ። እቲ ለበዳ ኣብ ኢራን ካብ ዘጋጥም ኣትሒዙ፡ ብዙሓት ተዓዘብቲ ካብታ ሃገር ዝወጽእ ጸብጻብ ክጠራጠሩዎ ጸኒሖም። ብደረጃ ሃገርን ክልልን ኣብ ዝቐርቡ ጸብጸባት ምንባብ ኣይነበረን። ኣብ መላእ ዓለም ዘጋጠመ ሕጽረት ናይ ምምርማር ዓቕሚ ተደሚሩዎ ድማ፡ ሰብ መዚ ኢራን መዓልታዊ ኣዝዩ ዝተሓተ ቁጽሪ ሞት ይሕብሩ ምንባሮም እቲ ልሒኹ ናብ ቢቢሲ ዝበጽሐ ሰነድ የረድእ። 'ሓቂ እንትግሃድ' እቲ ሰነድ፡ ብሚስጢራዊ ምንጪ እዩ ናብ ቢቢሲ ተላኢኹ። እዚ ዝርዝር ኣብ መላእ ኢራን ናብ ዘለዋ ሆስፒታላት ዝመጽኡ ተሓከምቲ ዝሓዘ ኮይኑ፡ ኣሽማት፣ ዕድመ፣ ጾታ፣ ምልክታት እቲ ሕማም፣ ዕለትን ብዝሒ ኣብ ሆስፒታል ዝጸንሕሉ መዓልትን ከምኡ'ውን ሕዱር ሕማም እቶም ተሓከምቲ ዘካተተ እዩ። እቲ ነዚ ሚስጢራዊ ሰነድ ንቢቢሲ ዘልሓዀ ምንጪ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ለበዳ ዘሎ \"ፖለቲካዊ ጠላዕ\" ኣብቂዑ \"ሓቂ ንክግሃድ እየ ነዚ መሪጸ\" ኢሉ። እዚ ምንጪ፡ ሰራሕተኛ መንግስቲ ኢራን ድዩ ወይ'ውን ከመይ ኣቢሉ ነዚ መረዳእታ ክረክብ ክኢሉ ዝብል ከረጋግጽ'ኳ እንተዘይክኣለ፡ ኣብቲ ሰነድ ዘለው ዝርዝር ካብቲ ቫይረስ ዝሓወዩን ዝሞቱን ግን ከረጋግጽ ክኢሉ'ዩ። ኣብ ሞንጎ እቲ መንግስቲ ዝብሎ ቁጽርን ብዝሒ ኣብቲ ሰነድ ዘሎ ቁጽሪ ምዉታትን'ውን ምስቲ ክሳብ መፋርቕ ወርሒ ሰነ መንግስቲ ዝህቦ ዝነበረ ሓበሬታ ዝሳነ እዩ። ኣብ ቴህራን 8 ሽሕን 120 ሰባት ብቐጥታ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስን ምስኡ ብዝተኣሳሰር ሕማምን ሞይቶም'ዮም። ኣብታ ሃገር እቲ ዝለዓለ መጠን ሞት ዝተመዝገባ ከተማ ክትኸውን እንከላ፡ ማእከል እቲ ለበዳ ዝነበረት ከተማ 'ቆም' ድማ 1419 ሞት ኣመዝጊባ። ኣብ መላእ ሃገር ካብ ዘጋጠመ ሞት፡ እቶም 1916 ሰባት፡ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ከም ዝኾኑ'ውን ይፍለጥ። እዚ ድማ፡ መብዛሕትኦም ካብ ኣፍጋኒስታን ዝኾኑ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቑባን ዘሎ ልዑል መጠን ሞት ከም የርኢ። ኣብ መጠን ኣፈላላይ ዋላ'ኳ እንተሃለወ፡ ሓፈሸሻዊ ኩነታት ኮሮናቫይረስ ኢራን ግን ኣብ'ቲ ልሒኹ ዝወጽአ ሰነድን፡ ኣብ'ቲ ናይ መንግስቲ ጸብጻባትን ተመሳሰልቲ እዮም። እቲ ናይ መጀመርታ መጠን ሞት ክውስኽ ዘርኢ ጸብጻብ፡ ምስ'ቲ ሚኒስትሪ ጥዕና ዝብሎ ብመጠን ኣይራኸብን፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ሓሙሽተ ዕጽፊ እቲ መንግስቲ ዝብሎ'ዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝነበረ ሰሙናት ሓድሽ ዓመት ኢራን ኣዋጅ ዕጽዋ እንትእወጅ፡ ብዝሒ ሞትን መልከፍትን ክንኪ ተራእዩ ነይሩ። እቶም ስጉምታት ክፎኽሱ ምስ ጀመሩ ግን፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝምዝገብ መጠን ሞትን መልከፍትን ወሲኹ። ኣብቲ ናብ ቢቢሲ ዝተላእኸ ሰነድ፡ ፈላማይ ሞት ብ22 ጥሪ ከም ዝተመዝገበ እንትጥቀስ፡ እዚ ኢራን ብወግዒ በቲ ቫይረስ ዝሞተ ሰብ ከም ዘሎ ቅድሚ ምግላጻ ኣብ ዘሎ ቅድሚ ሓደ ወርሒ እዩ። ኣብቲ እዋን ሰብ መዚ ጥዕና ኣብታ ሃገር መልከፍቲ ዋላ ሓደ ሰብ ከም ዘየጋጠመ እዮም ዝገልጹ ነይሮም፤ ንሰብ ሞያ ጥዕና'ውን መጠንቀቕታ ይህቡ ነይሮም። ክሳብ መንግስቲ ወግዓዊ መግለጺ ዝህብ ኣብ ዘለዋ 28 መዓልታት ግን፡ ድሮ 52 ሰባት ሞይቶም ነይሮም። ምስዚ ጉዳይ ቀጥታዊ ፍልጠት ዘለዎም ዶኳትር ንቢቢሲ ከም ዝበሉዎ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢራን ካብ ሓይልታት ጸጥታን ኣብታ ሃገር ዘለው ሰብ መዚ ስለያን ጸቕጢ ይበጽሖ ነይሩ'ዩ። ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሓደ ዶክተር፡ \"እቲ ሚኒስትሪ ነቲ ሓቂ ይክሕዶ'ዩ\" ነይሩ ኢሉ። \"መጀመርታ መመርመሪ ኣቑሑት ኣይነበሮምን፤ ምስተረኸበ'ውን ብሰፊሑ ኣብ ጥቅሚ ኣይውዓለን። ኣብ ኢራን ኮሮናቫይረስ ምህላው ንምእማን ዘፍቅድ ኣገልግሎት ድሕነት'ውን ኣይነበረን\" ኢሉ። እንተኾነ፡ ክልተ ኣብ ከተማ ቆም ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣሕዋት ዶኳትር ኣትሪሮም ጸቕጢ ብምሕዳሮም፡ ሚኒስትሪ ጥዕና በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ከም ዘሎ ተኣሚኑ። ሓዎም ብሞት ዝስኣኑ ዶክተር መሓመድ ሞላይን ዶክተር ዓሊ ሞላይን መርመራ ኮሮናቫይረስ ክግበረሉ ኣለዎ ብምባሎም፡ ኣብ ኣስክሬን ብዝተገብረ መርመራ በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፈ ተረጋጊጹ። ኣብቲ ንሱ ዝሞተሉ ሆስፒታል ብዙሓት ሕሙማት ናብ ምልክታት ኮቪድ-19 ዝጽግዑ ምልክታት የርእዩ'ኳ እንተነበሩ፡ ኩሎም ግን ካብ መልከፍቲ እቲ ቫይረስ ናጻ ነይሮም። ዶክተር ሞላይ ናይ ሓው ቪድዮን መግለጺን ብማሕበራዊ ሚዲያ መልእክቲ እንተሕልፍ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ፈላማይ ሞት ከም ዝተመዝገበ ተኣሚኑ። ሃገራዊ ማዕከን ዜና ኢራን ግን፡ እቲ ቪድዮ ሓደ ወርሒ ከም ዝሓለፎ ብምግላጽ ነቲ ዶክተር ካብ ምንቃፍ ወጻእ ብዛዕባ እዚ ሕማም ዝህቦ ሓበሬታ ኣይነበረን። እቲ ለበዳ ዝጀመረሉ እዋን፡ ምስ ዓመታዊ ዝኽሪ እስላማዊ ሰውራ 1979ን ፓርላመንታዊ መረጻን ተደሪቡ። እዚኦም፡ ኢራን ዓበይቲ ደገፋት እትረኽበሎም ኣጋጣሚታት ስለ ዝነበሩ ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ክተዓናቐፉ ኣይተደለየን። ላዕለዋይ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ካህመኒ፡ ነቲ ምርጫ ንምድኻም፡ እቲ ለበዳ ከም ምኽንያት ይጥቀሙ ኣለው ንዝበሎም ነቒፉ። ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከይተኸሰተ እንከሎ፡ ኢራን ናይ ባዕላ ከበድቲ ቅልውላዋት ነይሮምዋ። ብሕዳር 2018፡ መንግስቲ ዋጋ ነዳዲ ምስ ወሰኸ ናዕቢ ተጀሚሩ። ኣብ ውሑዳት መዓልታት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ናዕበኛታት ተቐቲሎም። ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት ድማ፡ ጀነራል ቃሲም ሱሌማኒ ብኣሜሪካ ምስ ተቐተለ ኢራን ዝሃበቶ ግብረ መልሲ ከካልእ ጸገም ሒዙ መጺኡ። ድሕሪኡ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኢራን ብጌጋ ኣብ ልዕሊ ነፋሪት ዩክሬን ሚሳይል ኣወንጪፎም። እታ ካብ ዓለማዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኢራን ምስ ተለዓለት ብዙሕ ደቓይቕ ዘይገበረት ነፋሪት ተሃሪማ ክትወድቕ እንከላ፡ ኩሎም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ 176 ሰባት ሞይቶም። ሰበ ስልጣን ኢራን እንታይ ኣጋጢሙ ዝብል ክሸፋፍኑ ፈቲኖም'ኳ እንተነበሩ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት ግን ብሚሳይል ሃሪሞም ከም ዘውደቑዋ ኣሚኖም። ኣባል ባይቶ ዝነበረ ዶክተር ኑሮልዲን ፒርሞዜን፡ እዞም ኩሎም ነገራት ኣብ ዝተፈጠርሉ እዋን ኢራን ብኮሮናቫይረስ ክትጥቃዕ እንከላ፡ መንግስቲ \"ሓቂ ንምቕባል ፈሪሑ\" ነይሩ ይብል። \"መንግስቲ እቲ ድኻን ስራሕ ኣልቦን ዓመጽ ከካይድ ናብ ኣደባባያት ክወጽእ እዩ ዝብል ፍርሒ ነይሩዎ'ዩ\" ኢሉ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣሜሪካ ካብ ስምምዕ ኒዩክሌር ከም ዝወጽአት ምስ ኣፍለጠት፡ ኣብ ልዕሊ አራን ዝተነበሩ እገዳታት ሰፍ ዘይብል ቁጠባዊ ሃሰያ ኣውሪዱላ እዩ። እቲ ሽሙ ክርቋሕ ዘይደለየ ዶክተር ድማ፡ \"ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኣሜሪካን ኢራንን ብዝህሉ ወጥሪ እቶም ነዛ ሃገር ናብዚ ዘብቅዑዋ ዘይኮኑ እቶም ድኻታትን ጽጉማት ተሓከምትን እዮም ተሰከምቲ እቲ ዕዳ ዝኾኑ ዘለው\"ኢሉ። ይኹን'ምበር፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢራን እቲ ናብ ትካል ጥዕና ዓለም ዘቕርቦ ጸብጻባት ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉን ዝሞቱን ሰባት \"ተኣማኒ\" ከምኡ'ውን \"ምዝባዕ ዘይብሉ\" እዩ ይብል።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53633803"} {"headline":"ናቪድ ኣፍካሪ፡ ኢራን ንሻምፒዮን ነጻ ቅልስ ከይትርሽኖ ትራምፕ ተማሕጺኑ","content":"ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ እቲ ቅድሚ 2 ዓመት ኣብ ሰልፊ ተቓውሞ ዝተሳተፈ ተወዳዳሪ ነጻ ቅልስ ዘሕለፈቶ ናይ ሞት ፍርዲ ክተልዕሎ ፀዊዑ። ትራምፕ ትማሊ ሓሙስ ብመገዲ ትዊተር፡ \"ንኢራናውያን መራሕቲ፡ ናይዚ መንእሰይ ሂወት እንተትምሕርዋን እንተዘይትርሽንዎን ኣዝየ እብህግ\" ኢሉ። ወዲ 27 ዓመት ናቪድ ኣፍካሪ፡ ኣብ ሺራዝ ኣብ ዝነበረ ተቓውሞ ብቕትለት ሓለዋ ፀጥታ እዩ ንሞት ተፈሪዱ። ይኹን'ምበር ናቪድ፡ ነቲ ቅትለት ከምዝፈፀመ ብምስቓይ ክኣምን ከምዝተገበረ እዩ ዝግለፅ። ኣሕዋት ናቪድ፡ ቫሂድን ሃቢብብን እውን ብተመሳሳሊ ጉዳይ ን 54 ን ን 27 ዓመት ክእሰሩ ተፈሪዶም ከምዝነበሩ፡ ኣብ ኢራን ዝርከብ ሓደ ንጡፍ ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት ይገልፅ። ከም ፀብፃብ ፎክስ ኒውስ ድማ፡ ትራምፕ፡ \"እዚ ተወዳዳሪ ነጻ ቅለስ ኣብ ጎደናታት ወጺኡ ንመንግስቲ እዩ ተቓዊሙ ነይሩ\" ኢሉ። ብዙሓት ዓለም-ለኻውያን ተቓለስትን ንጡፋትን'ውን፡ እቶም ኣሕዋት ክፍትሑን ኣብ ልዕሊ ኣፍካሪ ዝተወሰነ ብይን ሞት ምሕረት ክግበረሉን፡ ክታም ኣኪቦም ኣለዉ። ተለቨዥን ኢራን ኣብ ናይ ትማሊ ፀብፃቡ፡ ናቪድ ኣፍካሪ ንሞት ከምዝተፈረደ ከሕብር እንከሎ፡ ካብቲ ቤት-ማእሰርቲ ሸሊኹ ዝወፀ ድምፂ ግን ኣፍካሪ ከምዘሳቐይዎ ይገልፅ። ወላዲቱ ድማ፡ ደቃ ኣንፃር ሕድሕዶም ክምስክሩ ከምዝተገገደዱ ተዛሪባ። ጠበቓ እቶም ኣሕዋት ሓሰን ዮነሲ ብወገኑ፡ ነቲ ቅትለት ዝተፈፀመሉ ኣጋጣሚ ዘርእይ ቪድዮ ከምዘየለን፡ እቲ ከም መረዳእታ ዝቕረበ እውን እቲ ገበን ቅድሚ ምፍፃሙ ቅድሚ ሓደ ሰዓት ዝተወሰደ ምዃኑ ብመገዲ ትዊተር ሓቢሩ። ኣብ 2018 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ኢራናውያን ሰልፈኛታት ብሰንኪ ቁጠባዊ ቅልውላውን ፖለቲካዊ መድቆስትን ናብ ጎደናታት ምውፅኦም ይዝከር። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እውን፡ ኢራናውያን ንወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ብምቅዋም ሰልፊ ኣካይዶም እዮም።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54023610"} {"headline":"አራን፡ ኣቦ ኣብ ልዕሊ ጓል 14 ዓመት ጓሉ ዝፈጸሞ 'ናይ ክብሪ ቅትለት' ቁጥዓ ኣልዒሉ","content":"ፖሊስ ሰሜናዊ ኢራን፡ ኣብ ልዕሊ 14 ዝዕድሚኣ ጓሉ ' ናይ ክብሪ ቅትለት' ንዝፈጸመ ኣቦ ኣብ ቀይዲ ከምዘውዓለ ኣፍሊጡ፡፡ 'ናይ ክብሪ ቅትለት' ኣብ ገለ ማሕበረሰባት፡ ክብሪ ቤተሰቡ ኣጉዲፉ ኣብ ዝተብሃለ ኣባል ቤተሰብ ብኣባላት ስድራቤት ዝፍጸም ገበን ቅትለት እዩ፡፡ እቲ ቅትለት ኣብ ህዝቢ እታ ሃገር ኣሓያል ቁጠዐ ፈጢሩ እዩ፡፡ እታ ሮሚና ኣሽራፊ ዝተብሃለት ህጻን ምስ ወዲ 35 ዓመት ኣፍቃሪኣ ክትፍጽሞ ንዝደለየቶ መርዓ፡ ወላዲኣ ብዘይ ምቕባሉ፡ ምስ ኣፍቃሪኣ ጠፊኣ ምንባራ መራኸቢ ሓፋሽ እታ ሃገር ይገልጽ። ደልዮም ካብ ዝተሓበአቶ ዝረኸቡዋ ፖሊስ ድማ ናብ ገዝኣ ክትምለስ ገበሩ። ንህይወታ ክመትሰግእ እኳ እንተገለጸት፡ ክሰምዕዋ ግን ኣይከኣሉን፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ድማ ለይቲ ብድቁሳ ብወላዲኣ ኣካላዊ ጥቕዓት ከምዝተፈጸማ ተሓቢሩ። ጊልካህባር ዝተብሃለ ማዕኸን ዜና፡ ሩምያ ወላዲኣ ብማዕጺድ ክሳዳ ከምዝቖረጻን ብኡ ንብኡ ናብ ደገ ብምውጻእ ነቲ ዝገበሮ ከምዝተናዘዘን ገሊጹ ኣሎ። ቀትለት እታ ጓል 14 ዓመት ህጻን ኣብ ጋዜጣታት እታ ሃገርን ትዊተርን ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ። ብሽማ ኣብ ትዊተር ዝተለጠፈ ነቲ ቕትለትን ኣባታዊ ልምዲ ሕብረተሰብ ኢራን ዝቃወምን ጽሑፍ ልዕሊ 50 ሽሕ ግዘ ተለጢፉ እዩ። እስላማዊ ምቕጽዒ ሕጊ ኢራን፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ቤተሰብ ኣካላዊ መጉዳእቲ ዘብጽሑን ' ናይ ክብሪ ቅትለት' ዝፍጽሙን ኣቦታትን ኣባላት ስድራን፡ ከቢድ ቅጽዓት ከይወሃቦም ይሕግዞም እዩ። ሓደ ኣቦ ጓሉ ብምቕታል ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ፡ ከምቲ ንኻልእ ቅትለት ዝብየን ናይ ሞት ፍርዲ ወይ ጋሪ ነብሲ ምኽፋል ኣይፈረዶን፡፡ ካብ ሰለስተ ክሳብ ዓሰርት ዓመት ዝጸንሕ ማእሰርቲ እዩ ዝፍረዶ፡፡ ኣብ ኢራን ዝርገሐ ተመሳሳሊ ቅትለት ዝገልጹ ቁጽራዊ መረዳእታታት እኳ እንተዘይሃለዉ፡ ኣብ ገጠር ከባቢታት እታ ሃገር ከምዝረአ ግን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ፡፡","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52810775"} {"headline":"ኢራን ንስድራ ዝጠፍአ ኣመሪካዊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ክትከፍል ተወሲኑ","content":"ኢራን ንስድራ እቲ ኣብ 2007 ኣብታ ሃገር ዑደት እናገበረ ዝጠፍአ ኣባል 'ኤፍ-ቢ-ኣይ' ነበር ሮበርት ለቪንሰን፡ 1.45 ቢልዮን ዶላር ክትከፍል ኣመሪካዊ ዳኛ ኣዚዙ፡፡ እቲ 1.35 ቢልዮን ዶላር ነቲ ኣብ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ዝበጽሐ ጉድኣት ንምኽሓስ ዝውል ኮይኑ፡ እቲ 107 ሚልዮን ዶላር ድማ ነቲ ብምኽንያት መጭወይቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ብመልክዕ ካሕሳ እዩ ተወሲኑ፡፡ እታ ብቐጻሊ እቲ ግዳይ ናበይ ከምዝኣተወ ከምዘይትፈልጥ እትገልጽ ኢራን ዛጊድ ዝሃበቶ ምላሽ የለን፡፡ ሰበስልጣን ኣመሪካን ስድርኡን፡ ለቪንሰን ኣብ ኢራን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝሞተ እዮም ዝኣምኑ፡፡ ስድራ እቲ ግዳይ፡ ነቲ ዳኛ ጢሞቲዎስ ኬሊ ዝሃቦ ውሳነ ‘‘ ፍትሒ ንምርካብ ፈላማይ ስጉምቲ’’ ክብሉ ገሊጾሞ፡፡ ‘‘ኢራን ነቲ ዝፈጸመቶ ተግባር ዛጊድ ዝበጸሓ ሳዕቤን የለን’’ ክብሉ'ውን ተዛሪቦም፡፡ ብተወሳኺ: ዋላ'ኳ እቲ ውሳነ ነቲ ግዳይ እንተዘይመለሶ፡ ንድሕሪ ሕዚ ግን ተመሳሳሊ መጭወይቲ ከይትፍጽም ከጠንቅቓ ከምዝኽእል ስድራ ቤቱ ገሊጾም፡፡ ሮበርት ለቪንሰን፡ መጋቢት 2007 ኣብ ኢራን፡ ደሴት ኪሽ ምብጻሕ እናገበረ እዩ ጠፊኡ፡፡ ናይ ዓበይቲ ትካላት ናይ ውልቀ መርማሪ ኮይኑ ኣብ ኢራን ይሰርሕ ከምዝነበረ እዩ መንግስቲ ኣመሪካ ዝገልጽ፡፡ መራኸቢ ማዕከናት ኣመሪካ ግና፡ ካብ ማእከላይ ስለያ ኣመሪካ ሲ-ኣይ-ኤ ተልእኾ ተዋሂብዎ ከምዝኸደን ምስቲ ብኣመሪካ ዝድለ ዝነበረ ዳዉድ ሰልሓዲን ከም ዝተረኸበን ይገልጹ፡፡ ሰልሓዲን፡ ንለቪንሰን ኣብ ደሴት ኪሽ ከምዝረኸቦን፡ ኣብ ከባቢ ወሽመጥ ባሕሪ ዘሎ ዘይሕጋዊ ንግዲ ሽጋራ ክምርምር ከምዝመጸ ከምዝሓበሮን ብምግላጽ ብሓይልታት ጸጥታ ኢራን ከምዝተተሓዙ ተዛሪቡ፡፡ ኣብ 2011 ኣራሾኒ ናይ ቤትማእሰርቲ ክዳን ተኸዲኑ ዘርኢ ምስሊ ናብ ስድራ ቤቱ ተላኢኹ ነይሩ፡፡ ኣብ 2019 በዓልቲ ቤቱ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ከምዝረሰዖ ንባይቶኣዊ ኮሚቴ ኣመሪካ'ኳ እንተገለጸ፡ ዳይረክተር ኤፍቢኣይ ክሪስቶፈር ረይ ግን ን13 ዓመታት ኣብ ዝገበርዎ መጽናዕቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምሟቱ ከምዘመላኽትን ብትኽክል እንታይ ከምዝተፈጠረ ንምፍላጥ ግን መርመራ ከምዝቕጽሉ ሓቢሩ ፡፡","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54440326"} {"headline":"ቻይና፡ ሩስያን ኢራንን ንፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ክጸልዋ ይሰርሓ ኣለዋ ተባሂሉ","content":"ቻይና፡ ሩስያን ኢራንን ገለ ካብተን ንፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ክጸልዋ ህርዲግ ዝብላ ዘለዋ ሃገራት ምዃነን ላዕለዋይ ሓላፊ ስለያ ኣሜሪካ ዊልያም ኢቫኒንያ ተዛሪቡ። እቲ ዝወጽአ መግለጺ፡ እዘን ሃገራት ‘ብግሁድን ብሕቡእን ኣገባብ’ ነቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ጽልዋ ክፈጥራሉ ይሰርሓ ምህላወን ገሊጹ። እቲ መግለጺ ብምስዓብ፡ “እዘን ሃገራት መን ክዕወት ከምዘለዎ ሕርያ ኣለወን” ይብል። እቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ስለያ ኣሜሪካ፡ ኣብቲ ኣብ 2016 ኣብ ኣሜሪካ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሩስያ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንኽዕወት ኣብ እዋን ጎስጓስ ምረጹኒ ምትእትታው ገይራ ምንባራ ሓቢሩ። እንተኾነ ሩስያ ነዚ ክሲ እዚ ኣብ ግዚኡ ነጺጋቶ እያ። ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ እዚ መግለጺ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ምምሕዳሩ ነዚ ነገር “ብደቂቕን ብቐረባን ክከታተሎ’ዩ” ኢሉ። እዚ መግለጺ ትካላት ስለያ ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ እቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንኽናዋሕ ኣብ ዝሓተሉ ዘሎ እዋን’ዩ ዝወጽእ ዘሎ። ካልእ’ውን ጠበቓታት ዲሞክራትስ፡ ትካላት ስለያ ኣሜሪካ፡ ብዛዕባ ግዳማዊ ምትእትታው ኣመልኪተን ንህዝቢ ሓበሬታ ኣይህባነን እየን ዘለዋ ኢሎም ጥርዓኖም ምስ ኣስምዑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ። ኣብዚ ፕረዚደንታዉ ምርጫ፡ እቶም ቀንዲ ተወዳደርቲ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንሪፓብሊካን ወኪሉ ንካልኣይ ግዜ ንኽምረጽ፡ ንዲሞክራትስ ወኪሉ ዝወዳደር ናይ ቅድም ምክትል ፕረዚደንት ዝነበረ ጆ ባይደን እዮም። እቲ መግለጺ ብዙሓት ሃገራት መን ክዕወት ከምዘለዎ ነናተን ሕርያ ኣለዋን ዝብል እዚ መግለጺ ብፍላይ ነቲ ካብ ቻይና፡ ሩስያን ኢራንን ክምጽእ ዝኽእል ጽልዋታት \"ቀንዲ ኣሻቓሊ'ዩ\" ኢሉ። እቲ መግለጺ \"ቻይና፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዳግማይ ክምረጽ ፈጺማ ኣይትደልይን እያ\" ይብል። ሩስያ ብወገና ንጆ ባይደን ብምንሻው ነቶም ጸረ ሩስያ እንትብሎም ክትዶቅስ ትሰርሕ ኣላ ዝብል እዚ መግለጺ፡ ሩስያን ምስ ሩስያ ምትሕሓዝ ዘለወን ሃገራት ንፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሽሙ ንምብራኽ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያን ኣብ ተለቪዥንን ይሰርሓ ምህላወን ይጥቅስ። እቲ መግልጺ ኢራን ብወገና ንዲሞክራስያዊ ትካላት ኣሜሪካ ብምንእኣስ ቅድሚ ምርጫ ምክያዱ ስኑዕ ሓበሬታታት ብምንዛሕ ንኣሜሪካውያን ክትፈላሊ ትሰርሕ ምህላዉ ብምጥቃስ ፕረዚደንተ ዶናልድ ትራምፕ ከይዕወት ትሰርሕ ምህላዋ የመልክት።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53704614"} {"headline":"ብኮሮናቫይርስ ዝሞቱ ዝሓጽባ ወለንታውያን","content":"ቆም ኣብ እትብሃል ከተማ ኢራን ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ፡ ሰብ ሞያ ፈሪሖም ክገብርዎ ዘይከኣሉ ምሕጻብ ሬሳ ግዳያት ኮሮናቫይረስ፡ ነቲ እስላማዊ ባህሊ ተኸቲልን ብወለንተአን ይፍጽምኦ ኣለዋ። ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ምስ ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ ዝበዝሕ ሞት ኣመዝጊባ ዘላ ሃገር እያ። ዋላ'ኳ ካብታ ሃገር ጥሉል ሓበሬታ ምርካብ ዘጸግም እንተኾነ፡ ገለ ገለ ዝወጽእ ዘሎ ሓበሬታ ከም ዘርእዮ፡ መዐቀቢ ኣስክሬን እታ ሃገር ልዕሊ ዓቕሙ ሬሳታት ሒዙ ከም ዘሎ'ዩ ዝግለጽ። ሓደ ኣብ ኢንተርኔት ዝተዘርግሐ ቪድዪ፡ ሬሳ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ተደራሪቡ የርእይ፤ እቲ ሬሳ ንክሕጸብ፡ ካብ 5 ክሳብ 6 መዓልታት ኣብቲ ክፍሊ ከም ዝጸንሐ ነቲ ቪድዮ ዝስእል ዝነበረ ሰብ ክዛረብ ይስማዕ። ድሕሪ እዚ፡ እቲ ነቲ ቪድዮ ዝዘርገሐ ሰብ ከም ዝተኣሰረን፡ እቲ ሬሳታት ቅጥዒ እምነት ከየማለአ ሓመድ ከም ዝተደበየ ዝሕበሩ ነቐፌታዊ ሓበሬታ ክወጽኡ ጀሚሮም። ከም ውጽኢቱ፡ እተን ንሬሳ ብወለንተአን ክሓጽባ ዝተዳለዋ ደቂ ኣንስተዮ ኣፍልጦ ተዋሂብወን ኣብ ዝተፈላለያ መርበብ ሓበሬታት እታ ሃገር \"ሓርበኛታት\" እናተብሃላ ክዝረበለን ጀሚሩ። ኣብ ዝባነን \"ትብዓት ኣንበሳ እንተዘይብልካ፡ ጉዕዞ ፍቅሪ ክትዛዝሞ ኣይትኽእልን ኢኻ\" ዝብል ጭርሖ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ፡ ነቲ 'ጎሲል ኣል ማይት' ዝብሃል ንምውት ዝግበር ናይ ስንብት ባህሊ ይትግብራ ኣለዋ። ብመሰረት ሕጊ ሸሪዓ፡ ዝሞተ ሰብ ሽዑን ንሽዑን'ዩ ክቕበር ኣለዎ፡ ቅድሚኤ ግን እቲ ሬሳ ሰለስተ ግዜ ብማይ ክሕጸብ ኣለዎ። እዚ ሃይማኖታዊ ባህሊ እዚ ኸኣ 'ጎሲል ኣል ማይት' ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ እዋን ኮሮናቫይረስ ነዚ ምግባር ክሳብ ክንደይ ውሑስ እዩ? ነቐፌታት ምስ ተላዓለ፡ ኣብ ኢራንን ኣብ መላእ ዓለምን ብዙሕ ዝተገማመዐ ሓሳባት'ዩ ውሒዙ። መንግስቲ ነቲ ሬሳ ብማይ ምሕጻብ ከም ዘየድሊ እዩ ማዕድኡ ለጊሱ። ኣብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት ግን ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን፡ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ኩሉ ወግዕታት ምሕጻብን ምግናዝን ሬሳ ክማልኣሎም ከም ዘለዎ ጥቡቕ ውሳነ ኣሕሊፉ። ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን፡ እቶም ኣብ ቀብርን ጸሎትን ዝሳተፉ ሰባት ኸኣ ነቲ ንነብስኻ ካብ ኮሮናቫይረስ ንምኽልኻል ዝወጽኡ መምርሒታት ከተግብርዎም'ውን ሓቢሩ። እቲ መምርሒታትከ እንታይ'ዩ ዝብል? ኮሮናቫይረስ ካብ ሬሳ ክመሓላለፍ ይክእል'ዩ ዝብል ሓሳብ እኳ እንተዘይሃለወ፡ ወድብ ጥዕና ዓለም ግን ብዛዕባ እዚ ቫይረስ ብዙሕ ዘይተፈለጠ ነገራት ስለ ዘሎ ጥንቃቀ ክግበር'ዩ ዝምዕድ። ካብዚ ብምብጋስ ከኣ እቶም ኣብ ምግናዝን ምጉዕዓዝን ሬሳ ዝሰርሑ ሰባት ምሉእ መከላኸሊ ኣልባሳት ክገብሩ ይምዕድ። ንኣብነት ኣብ ዓዲ ጣልያን እቲ ቫይረስ ኣብ ክዳን'ውን ክጸንሕ ስለ ዝኽእል፡ መቅርብ መዋቲ ናብ ሬሳ መቅርቦም ክጽግዑ ኣይፍቀዶምን'ዩ። ኣብ ምሕጻብ ሬሳ ዝተዋፈራ ወለንታውያን ኢራናውያን ግን ይሰርሓ ኣለዋ። ኣብ ኢራን ግን እዘን ጉጅለ ጥራይ ኣይኮናን ኣብ ምሕጻብ ሬሳ ተጸሚደን ዘለዋ፤ ኣብ ማሻዳድ'ውን ተመሃሮ ኣብ ናይ ምሳሕ ሰዓተን ሬሳ ይሓጽባ እየን። ኣብ ቁጽሪ ዘሎ ፍርሕን ጥርጣረን ኣብ 8 ሚያዝያ ዝወጽኡ ጸብጻባት መንግሰስቲ ኢራን፡ ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 60 ሽሕ፤ ዝሞቱ ድማ 4 ሽሕ ምዃኖም'ዮም ዝሕብሩ። ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ጉጅለ ተመራመርቲ ግን እቲ ቁጽሪ ካብቲ ብሰብ መዚ ኢራን ዝግለጽ ኣዝዩ ዝተዓጻጸፈ ክኸውን ከም ዝኽእል'ዪም ዝሕብሩ። እዞም ተመራመርቲ ኣብ 20 መጋቢት ዝሃብዎ ገምጋም፡ ኣብ ኢራን ልዕሊ 15 ሽሕ ምውታትን ልዕሊ 1 ሚልዪን ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉን ክህልዉ ከም ዝኽእሉ የመላኽቱ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52304159"} {"headline":"ኪምያ ኣሊዛዴህ፡ ፍልጥቲ ኢራናዊት ስፖርተኛ ንሃገራ ራሕሪሓ","content":"እንኮ ኢራናዊት ጓልኣንስተይቲ ተዓዋቲት ሜዳልያ ኦሎምፒክ ኪምያ ኣሊዛዴህ፡ ንሃገራ ከምዝራሕረሐት ተዛሪባ። እታ ጓል 21 ዓመት ፍልጥቲ ስፖርተኛ፡ ኣካል ናይቲ \"ግብዝነት፣ ሓሶትን ናይ ሓሶት ውዳሰን\" ክትከውን ስለዘይደለየት ንኢራን ገዲፋ ከምዝወጸት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ጽሒፋ። ንርእሳ ድማ \"ሓንቲ ካብተን ሚልዮናት ውጹዓት ኢራናውያን ደቂኣንስትዮ\" ክትብል ገሊጻ። ኣሊዛዴህ ኣበይ ከምዘላ ኣይገለጸትን። ጸብጻባት ግን፡ ኣብ ኔዘርላንድስ ትስልጥን ከምዝላ ይገልጹ። ኣብ 2016 ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኦሎምፒክ ሪዮ፡ ብቴክዋንዶ ተዓዋቲት ሜዳልያ ነሓስ ብምዃን እያ ታሪክ ሰሪሓ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ከምዝበለቶ፡ ሰብመዚ ኢራን ነቲ ናታ ዓወት ንፕሮፖጋንዳ ከምዝተጠቐምሉ ተዛሪባ። ወጽዓ ብሰብመዚ \"ንሶም ተኸደኒ ዝበሉኒ ይኽደን፡ ንሶም ዝኣዘዙኒ ይገብር ነይረ። ንሶም ዝበልዋ ኩሉ ይደግማ። ንዓኣቶም፡ ንሕና ኣይነገድሶምን፡ ንዐኦም መሳርሒ ጥራይ ኢና\" ኢላ። ሰብመዚ ኢራን፡ ዋላኳ ምእንተ ፖለቲካ ነቲ ናታ ዓወት ዝድግፉ መሲሎም እንተቐረቡ፡ ንዓኣ ግን \"ጓልኣነስተይቲ እግራ ክትከፍት ክብሪ የብሉን\" ዝብል ርእይቶ ይህብዋ ከምዝነበሩ ገሊጻ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51087890"} {"headline":"ባይቶ ኣመሪካ፡ ትራምፕ ኣብ ኢራን ዝወስዶ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ዝድርት ሕጊ ኣጽዲቑ","content":"ባይቶ ወከልቲ ኣመሪካ፡ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ኩናት ንምልዓል ዘኽእሎ ስልጣን ዝድርት ውሳነ ኣሕሊፉ። እቲ ውሳነ፡ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ሓደጋ ኣብ ዘንጸላለወሉ እዋን እንተዘይኮነ፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ልዕሊ ኢራን ስጉምቲ ከይወስድ ዝኽልክል እዩ። እቲ ውሳነ ብተወሳኺ ኮንግረስ እንተዘይፈቒድሉ ኣብ ልዕሊ ኢራን \"ወታሃደራዊ ሓይልታት ኣመሪካ ምጥቃም ጠጠው'' ከብል ዝእዝዝ እዩ። እቲ ብኣብዝሓ ድምጺ ብወከልቲ ህዝቢ ዝጸደቐ ውሳነ፡ ካብቲ ብሪፐብሊካን ዝዕብለል ሰኔት ተቓውሞ ከጋጥሞ ከምዝኽእል ይግለጽ። እቲ ወጺኡ ዘሎ ሕጊ እቲ ኮንግረስ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ናብ ኩናት ንምእዛዝ ዘለዎ ስልጣን ንምምርማር ዘኽእሎ፡ ናይ 1973 ሕጊ መሰረት ዝገበረ እዩ። ኣመሪካ ንላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኢራን ኣብ ዒራቕ ድሕሪ ምቕታላ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ኣብ ዒራቕ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ደብዳብ ሮኬት ኣካይዳ እያ። እንተኾነ ዝተጎደአ ሰብ የለን። እቲ ባይቶ ኣሕሊፍዎ ዘሎ ውሳነ፡ ክታም ናይቲ ፕረዚደንት ዘየድልዮ ስለዝኾነ፡ ትራምፕ ነቲ ውሳነ ዕንቅፋት ከምዘይኸውን ይግለጽ። ሓላፊት ዲሞክራት ኣባላት እቲ ባይቶ ናንሲ ፔሎሲ፡ ትራምፕ ንቃሲም ሶሌማኒ ብምቕታል ንኣመሪካ ውሕስቲ ገይሩዋ ኢላ ከምዘይትኣምን ገሊጻ። ሓላፊ ሪፐብሊካን ኬቨን ማካርቲ ግን \" ትርጉም ዘይብሉ\" ክብል ነቲ ውሳነ ተቓዊምዎ። ፕረዚደንት ትራምፕ ድማ \"ኩሎም ኣባላት ሪፖብሊካን ዝኾኑ ኣባላት እቲ ባይቶ፡ ኣንጻር እታ ዕብድቲ ናንሲ ዘውጸአቶ ሕጊ ከምዘድምጹ\" ተስፋ ይገብር ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51058919"} {"headline":"ብመጥቃዕቲ ኢራን ዝቖሰሉ ወተሃደራት ኣመሪካ 109 በጺሖም","content":"ኣብ ዒራቅ ኣብ ወተሃደራዊ ነቑጣ ኣመሪካ፡ ካብ ኢራን ብዝተፈነወ መጥቃዕቲ፡ ዛጊድ 109 ወተሃደራት ናይ ሓንጎል መጉዳእቲ [መቑሰልቲ] ከምዘጋጠሞም ፔንታጎን ኣሚኑ። እዚ ቁጽሪ ቅድም ክብል ፔንታጎን ካብ ዘፍለጦ 64 ወተሃደራት ዳርጋ ዕጽፊ እዩ ኾይኑ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ድማ፡ በቲ ዝተፈነወ መጥቅዕቲ ዋላ ሓደ ወተሃደር ኣይተጎድአን ምባሉ ዝዝከር እዩ። ኢራን እቲ ብ8 ጥሪ 2020 ዘካየደቶ ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥዕቃዕቲ፡ ኣመሪካ ናይ ኢራን የማን ኢድ ዝኾነ ጀነራል ምቕታላ ስዒቡ እዩ። እቲ ወጥረት ድማ፡ እናተጎሃሃረ መጺኡ ነይሩ። እንተኾነ፡ 70 ሚኢታዊ ካብቶም መቑሰልቲ ዝበጽሖም ወተሃደራት ዝተፈላላየ ሕክምናዊ ሓገዝ ምስተገበረሎም ናብ ስርሖም ከምዝተመለሱ፡ እቲ ካብ ፔንታጎን ዝወጽአ መግለጺ የመልክት። ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ (ፔንታጎን) ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፤ እዚ ናይ ሓንጎል መጉዳእቲ እናጸንሐ ዝልለይ ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ። ሓደ ሪፑብሊካን ኣባል ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ግን፡ ብዛዕባ እቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ዝርዝር መግለጺ ክወሃቦም ሓቲቱ። እቲ ኣባል ባይቶ ኣብ ትዊተሩ፡ \"እቶም ኣብ ኢራን ተዋፊሮም ዘለዉ ሓይልታትና ካብኡ ንላዕሊ'ውን ጉድኣት በጺሑዎም ከይኸውን፡ ክንሕብሕቦም ይግባእ\" ብምባል እቲ \"ዝተሸፋፈነ\" ነገር ክጸሪ ሓቲቱ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብዛዕብኡ ዝተሓተተ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ትሮማቲክ ብሬይን ኢንጁሪ [TBIs] እናተብሃለ ዝጽዋዕ እዚ ናይ ሓንጎል መቑሰልቲ፡ ክንድዚ ዝኣክል ዝጋነን መጉዳእቲ ኣይኮነን ክብል ኣቕልል ኣቢሉ እዩ ምላሽ ሂቡ ነይሩ። \"ኣብ ዝሓለፈ ምስ ዝረእኹዎ መቑሰልቲ እንትነጻጸር፡ እዚ ከም ዓብይ ነገር ገይረ ኣይወስዶን\" ኢሉ። እዚ ናይ ትራምፕ ምላሽ ግን ንብዙሓት ዝወሓጠሎም ኣይኮነን።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51455226"} {"headline":"ኢራን ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ 54 ሽሕ እሱራት ብጊዝያውነት ፈቲሓ","content":"ኢራን፡ ኣብ ዝተጻበቡ ቤት ማእሰርቲታት ኮሮናቫይረስ ከይላባዕ ብምስጋእ፡ 54 ሽሕ እሱራት ብጊዝያውነት ፈቲሓ። ወሃቢ ቃል ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ከም ዝገለጾ፡ እቶም እሱራት ተመርሚሮም ካብቲ ቫይረስ ነጻ ከም ዝኾኑ ምስ ተረጋገጸን ዋሕስ ምስ ኣቕረቡን እዮም ተፈቲሖም። \"እሱራት ድሕነት\" ዝኾኑ ማእሰርቲ ልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ዝተፈረዶም እሱራት ግን ኣይፍትሑን። ኣብታ ሃገር ተኣሲራ እትርከብ ኢራናዊት ብሪጣንያዊት፡ ሰራሕተኛ ረድኤት ናዛኒን ዛጋሪ-ራትክሊፍ 'ውን ተፈቲሓ ክትከውን ከም እትኽእል መንግስቲ ብሪጣንያ ገሊጹ ኣሎ። ዛጋሪ-ራትክሊፍ ኣብ 2016፡ ብስለያ ተጠርጢራ ሓሙሽተ ዓመት ተፈሪዱዋ፤ ንሳ ግን ከም ዘይወዓለቶ ትገልጽ። በዓል ቤታ፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ በቲ ቫይረስ ከም ዝተትሓዘትን እቶም ሓለፍቲ ክምርምርዋ ፍቓደኛታት ከም ዘይኮኑን ዝሓለፈ ቀዳም ገሊጹ ነይሩ። መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ተኣሲሮም ዘለዉ ናይ ብሪጣንያ ዜግነት ዘለዎም ሰባት ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ሕክምና ክረኽቡ ንመንግስቲ ኢራን ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ። ዛጊድ ኣብ መላእ ዓለም፡ ልዕሊ 90 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተትሓዙን ልዕሊ 3100 ሰባት ከም ዝሞቱን ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብ ኢራን'ውን ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን፡ ብውሕድ 77 ሰባት ከም በቲ ቫይረስ ከም ዝሞቱን ቁጽሪ ሕሙማት ድማ ልዕሊ 2300 ከም ዝበጽሐ መንግስቲ እታ ሃገር እንትገልጽ፡ ካልኦት ጸብጻባት ግን ቁጽሪ መወትቲ ልዕሊ 200 ከም ዝኾነን ቁጽሪ ሕሙማት 'ውን ኣዝዩ ከም ዝዛይድን እዮም ዝሕብሩ። ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኢራን ከይተይረፉ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ኮይኖም፡ ካብ 290 ኣባላት ፓርላማ እታ ሃገር እቶም 23 በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ኣለዉ። ኣማኻርን ናይ ቀረባ ሰብን መንፈሳዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ካሚኒ፡ መሓመድ ሚርመሓመዲ 'ውን ኣብ ዝሓለፈ ሶኒ ብኮሮናቫይረስ ከም ዝሞቱ መንግስታዊ ማዕኸን ዜና እታ ሃገር ገሊጻ። ህዝቢ እታ ሃገር ብዛዕባ እቲ ሕማም ዝወሃቡ መምርሒታት ክኽተሉን ሚኒስትሪ ጥዕና ድማ ኣድላዪ ቀረብ ከውፍርን እቲ መንፈሳዊ መራሒ ጸዊዑ ኣሎ። ብተወሳኺ ኢራን ተቕርቦ ዘላ ቁጽራዊ ሓበሬታ እቲ ረኽሲ ሓቂ ከም ዝኾነ ዝገልጽ ኣያቶላህ ካሚኒ፡ ነቲ ዝቐርበላ ዘሎ ክሲ ምሕባእ ነጺግዎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ሰብሞያ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ንሰብሞያ ጥዕና እታ ሃገር ኣብ ምሕጋዝ ተዋፊሮም ኣለዉ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51732142"} {"headline":"ኲናት የመን፡ ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ ኣብ የመን ገበን ዝፈጸሙ ኣባላቱ ናብ ፍርዲ ምቕራብ ጀሚሩ","content":"ኣብ የመን ዝዋጋእ ዘሎ ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ፡ ዓለማዊ ድንጋገታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ ዝጠሓሱ ወታደራቱ ንዝቐረበ ክስታት ምርኣይ ከምዝጀመረ ገሊጹ። ወሃቢ ቃል እቲ ልፍንቲ ኮሎኔል ቱርኪ ኣል-ማሊኪ ከምዝገለጾ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ቁጽሮም ዘይተፈለጠ ክሲታት ፍርዲ ምስተውሃበ ዕላዊ ክግበር እዩ። እቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ፡ ገበን ኲናት ፈጺሙ ክኸውን ከምዝኽእል ዝገልጹ ላዕለዎት ሰብሞያ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ግልጽነት እቲ ነቶም ክሲታት ክዳኒ ተጣይሱ ዘሎ ቤት ፍርዲ 'ውን ጥርጣረ ከምዘለዎም ይዛረቡ። ኮሎኔል ኣል-ማሊኪ ግን እቲ ከይዲ (መስርሕ) ፍርዲ፡ ዓለምለኻዊ ድንጋገታት ሰብኣዊ መሰላትን ሕጊታት ኣባል ሃገራት እቲ ለልፍንትን መሰረት ብምግባር ከምዝካየድን ብምግላጽ፡ ሰብሞያ መርመራ ብህብዎ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ከይዲ ፍርዲ ከምዝጀመሩ ተዛሪቡ። ኣብ 2015 ዕጡቓት ተቓወምቲ ሑቲ ንዝሰፍሐ ምዕራባዊ ክፋል የመን ብምቁጽጻር፡ ፕረዚደንት ማንሶር ሓዲ ካብታ ሃገር ክወጽእ ምስገበሩ እታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ቅልውላው ክትኣቱ ክኢላ እያ። ነቶም ብኢራን ይድገፉ'ዮም ዝበሃሉ ሓይልታት ሑቲ ብምምካት፡ መንግስቲ ማንሶር ሓዲ ናብ ርእሰከተማ ሰንዓ ንምምላስ ናብታ ሃገር ኢደን ዘእተዋ፤ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ካልኦት ሸውዓተ ሃገራትን ድማ እታ የመን ናብ ዓውደ ኲናት ክትቅየር ጌረን። ሕቡራት ሃገራት ኣብ መስከረም 2019 ኣብ ዘውጸኦ ጽብጻብ፡ ብውሑድ 7500 ሰላማውያን ሰባት ከምዝሞቱን፡ ንሞት መብዛሕተኦም ድማ እቲ በቲ ስዑዲ እትመርሖ ወታሃደራዊ ኪዳን ዝፈጸሞ ደብዳብ ነፈርቲ ምዃኑን ኣረጋጊጹ እዩ። ካልእ ኣጻራዪ ጉጅለ ድማ፡ በቲ ኲናት 12 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ዝርከቡዎም ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱ ይገልጽ። ዘ ጋርድያን ዝተባህለ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ጋዜጣ ከምዝሓበሮ፡ ኣባላት ሓይሊ ኣየር እቲ ልፍንቲ፡ በቲ ኣብ ነሓሰ 2016 ኣብስ ኣብ እትበሃል ቁሸት ዘካየዶ መጥቃዕቲ 19 ሰባት ዝቐተለ ደብዳብ፣ ኣብ ሚያዝያ 2018 ባኒ ቃይስ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ኣብ ሓደ መርዓ ዝነበሩ 20 ሰባት ዝቐተለን፡ ኣብ ነሓሰ 2018 ኣብ ዳህያን ዝበሃል ከባቢ ኣብ ልዕሊ ኣውቶቡስ ተፈጺሙ ብውሑድ 29 ህጻናት ዝቐተለን ደብዳባት ነፈርቲ፡ ተኸሲሶም ኣለዉ። ሕቡራት ሃገራት ንጸብጻብ ኪኢላታቱ ብምጥቃስ፡ ተቓወምቲ ሑቲ፣ ደገፍቲ መንግስትን ኣባላት እቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንትን ገበናት ኲናት ከምዝፈጸሙ ጭቡጥ መረዳእታ ከምዘለዎ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ገሊጹ ነይሩ'ዩ።","category":"ኢራን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51491813"} {"headline":"ስብርባር ናይታ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝነበረት ሮኬት ቻይና ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ወዲቑ","content":"እቲ ስብርባር፡ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኾነት ሮኬት ቻይና፡ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ከምዝወደቐ መራኸቢ ብዙሃን ቻይና ጸብጺበን። ቻይና፡ ዝበዝሓ ክፋል እቲ ስብርባር ኣብ’ዚ ክሊ ወዲቑ ከምዘሎ ከምዘፍለጠን፡ ካልእ ኣካል እቲ ስብርባር ድማ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እቲ ውቕያኖስ ከምዝወደቐ እዩ መንግስታዊ ሚድያ እታ ሃገር ኣቃሊሑ። እዚ ከባቢ፡ ኣብ ምዕራባዊ ማልዲቪስ እዩ ዝርከብ። ገለ ኤጀንሲታት፣ ሰብ ሞያን ኣመሪካን ኣውሮጳን ስብርባር እታ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኾነት ማርች-5ቢ ተባሂላ እትጽዋዕ ሮኬት፡ ኣበይ ከምዝዓልብ ክከተታሉ ቐኒዮም እዮም። ገለ ኣካል እቲ ስብርባር ሮኬት፡ ብሰንበት እዩ ተመሊሱ ናብ ክሊ ህዋ ኣትዩ ተባሂሉ። ስፔስ ኮማንድ ኣመሪካ፡ ቅድም ኢሉ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ሮኬት ኣብ ናብ ክሊ ህዋ መሬት ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ከባቢ ኣትያ ከምዝነበረት ሓቢሩ ነይሩ። እቲ ኤጀንሲ፡ እቲ ዝወደቐ ስብርባር ኣብ ልዕሊ መሬታዊ ኣካል ኮነ ኣብ ልዕሊ ማያዊ ኣካል ዘብጸሖ ጉድኣት እንተሎ ዛጊድ ኣይተፈልጠን ኢሉ። ግምታትን ነቐፌታን እዛ ቻይና ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ መንኮርኮር ህዋ ጸዒና ዝሰደደታ ሮኪት፡ ስርሒታ ዛዚማ ካብ ጠፈር ናብ መሬት ንምእታው ኣብ ምኹላል እያ ነይራ። ኣመሪካ፡ ብሓሙስ ኣብ ዘውጽአቶ መግልጺ፡ እታ ሮኬት ኣበይ ክትዓለብ ከምእትክል ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣል፡ ኣብ ህዋ እንከላ ሃሪማ ናይ ምብታን መደብ ከምዘይብላ ግን ገሊጻ ነይራ። ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ልሎይድ ኦውስቲን “ኣብ ዝኾነ ነገር ዕንወት ከየውረደት ኣብ መሬት ክትዓልብ ተስፋ ንገብር፡ ኣብ ውቅያኖስ ወይ ኣብ ካልእ ሰብ ዘይነብሮ ትዓልብ ትኸውን” ኢሉ። ‘ዕሽሽነት ዝዓሰሎ’ ክብል ናብ ቻይና ነቁፌታ ዝደርበየ ልሎይድ ኦውስቲን፡ ብምስዓብ “ከምዚ ዓይነት ስርሒት ክካየድ ክሕሰብ እንከሎ ድሒሩ እንታይ ክመጽእ ይኽእል ኣቐዲምካ ክሕሰበሉ ግድን’ዩ” ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። ብመንግስቲ ቻይና እትውነን ማዕከን ዜና፡ እታ ሮኬት ኣብ ሰብ ዝነብሮ ከባቢ ክትዓልብ ትኽእል እያ ንዝብል ፍርሒ ብምንእኣስ፡ ኣብ ማያዊ ኣካል ዓለምና ከትዓልብ ምዃና እያ ክትገልጽ ቀንያ። እታ ሮኪት ኣብ ዝርሓቐ ክፋል ዓንኬል ጠፈር ኮይና ኣብ ዙርያ መሬት እያ ትሕንበብ ቀንያ፡ ቀስ እናበለት ግን ናብቲ ልዑል ስሕበት ዘለዎ ክፋል ህዋ መሬት ክትኣቱ ምዃና ተገሊጹ ነይሩ። ካብ መሬት 60 ኪሎሜተር ራሕቒ ኣብ ዘለዎ ምስ ብጽሐት ዝበዝሐ ክፋላ ክቃጸል ከምዝኽእልን፡ እቲ ዘይነደደ ሓጺናዊ ኣካላ ግን ናብ መሬት ክዓልብ ምዃኑ ተዘሪቡ ነይሩ። ምዕላብ ናይታ ሮኬት ምቁጽጻር እንዘይተገይርሉ ግን ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይና ኣብ ዝኾነ ክፋል ዓለምና ክትዓልብ ከምእትክእል ኣመሪካ ተጠንቅቕ። ኣብ መጋቢት 2020 ቻይና ዝወንጨፈታ ተመሳሳሊት ሮኬት፡ ናብ ህዋ ናይ ዓለም ምስ ኣተወት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ስለዝኾነት ኣብ ገጠራት ናይ ኣይቮሪኮስት ምዕላባ ይዝከር። ናብ ህዋ ዝውንጨፋ ሮኬታት ናብ መሬት ኣብ ዝምለሳሉ፡ ምቁጽጻር እናተገበረለን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ካብ መሬት ኣዝዩ ዝርሓቐ ቦታታት ናይ ደቡብ ሰለማዊ ውቅያኖስ ኣብ ሞንጎ ኣውስትራልያን ደቡብ ኣመሪካን ከምዝዓልባ እዩ ዝግበር። ኣብቲ ቦታ ብውሕዱ 1500 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዝኸውን ንመዕለቢ ሮኬታት ተባሂሉ ዝተሓዘኣ ማያዊ ኣካል ኣሎ።","category":"ጠፈራዊ ዳህሳስ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57046680"} {"headline":"ናሳ፡ ኣንፈት ሓደ 'ኣስትሮይድ' ከምዝቐየረ ኣፍሊጡ","content":"ትካል ምርምር ጠፈር ኣሜሪካ ናሳ፡ ኣብ ምቕያር ኣንፈት ሓደ ገዚፍ በራሪ ኸውሒ፡ 'ኣስተሮይድ' ዕውት ስርሒት ከምዘካየደ ሓቢሩ። እቲ 160 ሜተር ሰንጣቒት ዘለዎ ዲሞርፈስ ዝተሰመየ በራሪ ከውሒ፡ በቲ ናሳ ዘበገሶ 'ተልእኾ ዳርት' ምስ ሳተላይት ድሕሪ ምግጫው ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መገዱ ከምዝቐየረ ተመራመርቲ ሓቢሮም። እቲ ኣስተሮይድ መገዱ ከምዝቐየረ ዝተረጋገጸ ኣብ መሬትን ህዋን ብዝርከቡ ተሌስኮፕ ምክትታል ምስተገበረሉ እዩ። ናሳ ነቲ ፈተነ ምቕያር መገዲ እቲ ኣስተሮይድ ዝገበረ፡ ናብ መሬት ገጾም ንዝጓዓዙ ግኡዝ ኣካላት ምህራም ዝከኣል እንተዀይኑ ንምርግጋጽ እዩ። እቲ ብተልእኾ ዳርት ዝተፈጸመ ስራሕ፡ እዚ ተግባራዊ ክኸውን ከምዝኽእል ዘረጋገጸ እዩ ነይሩ። እንተዀነ እቲ ኣስተሮይድ ኣዝዩ ገዚፍ ምስዝኸውን ወይ ከኣ እቲ ስጕምቲ ኣብ ሰዓቱ ምስ ዘይውሰድ ኣጸጋሚ ክኸውን ከምዝኽእል ይግለጽ። ኣካያዲ ስራሕ ናሳ ቢል ኔልሰን ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ “እዚ ተልእኾ፡ ናሳ፡ ንዝዀነ ካብ ጠፈር ዝድርበ ነገራት ድልው ንምዃን ይጽዕር ከምዘሎ ዘርኢ እዩ” ኢሉ። “ኣብ ምክልኻል ፕላኔትና ዕቱባት ምዃንና ናሳ ዘመስከረ እመስለኒ፡” ክብል’ውን ወሲኹ። ናሳ ንኣንፈት እቲ ኣስተሮይድ ምቕያሩ ብሃብል ተሌስኮፕ ዝወሰዶም ስእልታት ኣረጋጊጹ ኣሎ። እቲ ዳርት (Double Asteroid Redirection Test) ዝተሰመየ ተልእኾ፡ ካብ መሬት ኣስታት 11 ሚልዮን ኪሜ ርሒቝ እዩ ተፈጺሙ። እታ ክንዲ ሓደ መዝሓሊ ወይ ፍሪጅ ዝዓቐና ሳተላይት፡ ኣብ ሰዓት 22,000 ኪ.ሜ እናተሓምበበት እያ ምስ ዲሞርፈስ ተጋጭያ። እቲ በራሪ ከውሒ ኣብ ዙርያ ካልእ ዝዓበየ (780 ኪ.ሜ ዝቝመቱ) ዲዲሞስ ዝተባህለ ከውሒ እዩ ዝዘውር። ዲሞርፈስ ኣብ ዙርያ ዲዲሞስ ሓደ ዑደት ክፍጽም 11 ሰዓትን 55 ደቓይቕን እዩ ዝወስደሉ ነይሩ። ድሕሪ እቲ ምግጫው ግን፡ እቲ ግዜ ናብ 11 ሰዓትን 23 ደቓይቕን ከምዝጐደለን ዲሞርፈስ ናብ ዲዲሞስ ገጹ “ብዓሰርተታት ሜትር” ከምዝቐረበ ካብ ቴለስኮፕ ዝተረኽበ ጭብጥታት የረድእ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ በዓልሞያ ኣፕላይድ ፊዚክስ ዝዀነት ዶክተር ናንሲ ቻቦት፡ ሳተላይት ናሳ ነቲ ኣሰተሮይድ ቅሩብ ደፊኡ መገዲ እንተኣቐየሮ’ውን፡ ኣንፈት ኣስተሮይድ ኣጸቢቕካ ንምቕያር፡ ቅድሚ ዓመታት ሳተላይት ምውንጫፍ ከድሊ እዩ ኢላ። ኣብ ተልእኾ ዳርት ተመራማሪ ናሳ ዝዀነ ዶክተር ቶም ስታትለር እውን ካብዚ ፈተነ ናብ ብዙሕ መደምደምታ ክብጻሕ ከም ዘይክእል የጠንቅቕ። ኣስተሮይድ ብኣዝዩ ዝተፈላለየ መልክዕ ከም ዝመጹን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓድሽ ተልእኾ፡ ብዙሕ ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግባኦ ነገራት ከምዘሎ ኸኣ ይገልጽ። ትካል ምርምር ጠፈር ኣውሮጳ - ኢሳ - ብዛዕባ ዲሞርፈስን ዲዲሞስን መጽናዕቲ ንምክያድ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት ሰለስተ ሳተላይታት ክውንጭፍ እዩ።","category":"ጠፈራዊ ዳህሳስ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c9x5349e2w5o"} {"headline":"ዋሊ ፋንክ: ናብ ህዋን ንምኻድ 60 ዓመት ዝተጸበየት ጓል 82 ዓመት","content":"ጽባሕ ሰሉስ ኣብ ህዋ ታሪኽ ክስራሕ እዩ ዝመስል። ኩሉ ከምቲ ዝተወጠነሉ እንተተፈጺሙ ሜሪ ዋሌስ \"ዋሊ\" ፋንክ እታ ብዕድመ ዝዓበየት ጠፈርተኛ ክትኸውን እያ። ጓል 82 ዓመት ሜሪ ዋሌስ ምስ ሃብታም ዓለምና ዝኾነ ጄፍ ቤዞስ፣ ሓውን ወዲ 18 ዓመት ኦሊቨር ዲሜንን ኣብ ሓንቲ መንኮርኩር ክትውንጨፍ እያ። እዚ፡ ስልጠና ኣብራሪ [ፓይለት] ንዝወሰደት ሜሪ ዋሌስ ናይ ህይወት ዘመን ሽልማታ'ዩ፤ ነዚ 60 ዓመት ሙሉእ ተጸብያ እያ። እዛ ጓል 82 ዓመት ብዙሕ ታሪኽ ዝሰርሐት ኮይና ኣብ ብዙሕ ነገር ጀማሪት'ያ። ፈንክ፡ ኣብ ቦርድ ብሄራዊ ድሕነት መጓዓዝያ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ተመራማሪት ድሕነት ኣየር ኮይና ኣገልጊላ። ኣብ ኣመሪካ'ውን ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ተቖጻጻሪት ምምሕዳር ኣቪየሽን ፌደራል'ያ ነይራ። ኣብራሪት ነፋሪት ኮይና 19,600 ሰዓታት ብምብራር ንብዙሓት ክተገርም እንከላ፤ ካልኦት 3,000 ክኢላታት በረራ'ውን ኣምሂራ። ስለዚ እዚ ሰሉስ ናብ ህዋ ዝግበር በረራ ንፋንክ ሓድሽ ኣይኮነን። ኣብ 1960ታት፡ ጓል 20 ዓመት ዝነበረት ፋንክ ናብ ህዋ ንምኻድ ከበድቲ ስልጠናታት ትወስድ፣ ብዙሕ ናይ ሕክምናውን ኣካላውን መርመራታት ትገብር ነይራ። እዚ ምስ ካልኦት 12 ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ዝሓሰበቶ 'ሜርኩሪ 13' ተባሂሉ ዝፍለጥ ጉጅለ በረራ ህዋ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ልክዕ ወዲ ተባዕታይ ዝወስዶም ስልጠናታት ይወስዳ ነይረን። \"ኩሉ መርመራታት ዝገርም ነይሩ። ኣብ ወንበር ኣሲሮም ብሓደ እዝነይ 10 ዲግሪ ሴልሽየዝ ዝዕቀን ዝሑል ማይ ወጊኦምኒ። ኣብዚ ግዜ ነብስኻ ምቁጽጻር ስለ ዘይትኽእል ዕቡድ ኢኻ ትኸውን። ድሓር ካብቲ ክፍሊ ኣውጺኦም ከኣ ድሕሪ ሓደ ሰዓት በቲ ኻልኣይ እዝንኻ ይደግሙኻ\" ክትብል ምስ ቢቢሲ ኣውጊዓ ነይራ። ጸርጊ ዘለዎ ማይ [radioactive water] ክትሰቲ፣ ናይ ስምዒት ህዋሳትካ ኣብ ዝጎድእ ገንኢ [sensory-deprivation tank] ክትኣቱ ግድን ነይሩ። እዚኦም ገለ ካብቶም ናብ ህዋ ዝጉዓዙ ሰባት ዝሓልፉዎም ፈተናታት'ዮም። መብዛሕትኦም ከኣ ከበድቲ'ዮም። \"ካብ 125 ደቂ ተባዕትዮ እቶም ሸውዓት ነዚ ክሓልፉዎ እንከለው፤ ካብ 25 ደቂ ኣንስትዮ ከኣ 13 ተዓዊተናሉ\" ኢላ። ብ1999፡ ናብ ናሳ ክትኸይድ ኣብ ዝነበራ ቃለ መጠይቕ ክትሓልፎ ዝግባእ ስልጠናታት ኩሉ ንምሕላፍ ቖራጽነት ከም ዘለዋ ተዛሪባ ነይራ። \"ምስ ገሊኦም ፈተናታት ብዝተሓሓዝ ዘጋጥም ብዙሕ ስቓይ ኣሎ። ግን ድማ ናብ ህዋ ክቐርብ ዝገብረኒ ዝነበረ ንሱ'ዩ፤ ክኸዶ ዝደሊ ቦታ ኸኣ ንሱ'ዩ\" ትብል። እንተኾነ ግና ናሳ፡ እቶም ናብ ህዋ ክበሩ ዝፍቀደሎም፡ ኣብ ፈተነ በረራ ልዑል ፍጥነት ዘመዝገቡ ፓይሎታትን ብምህንድስና ዲግሪ ዘለዎምን ክኾኑ ኣለዎም ብምባሉ: ፋንክ ተመራማሪት ህዋ ንምዃን ዝነበራ ሕልሚ በርዒኑ። ኣብቲ ግዜ'ቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብረርቲ ነፈርቲ ውግእ ክኾና ኣይፍቀደለንን ነይሩ። ፋንክ ግን በቲ ዝወጽአ መመዘኒ ረቛሒ ተስፋ ኣይቖረጸትን። \"ኣርባዕተ ግዜ ናብ ናሳ ኣመልኪተ፤ ግን ድማ ብኢንጅነሪንግ ዲግሪ ስለ ዘይብለይ ኣርባዕተ ግዜ ነጺጉኒ። ድሓር እዚ ዲግሪ ንምርካብ ትሸዓተ ወርሒ ሂቦምኒ፤ ክኸውን ግን ኣይክእልን ነይሩ\" ክትብል ብ1999 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበራ ቃለ መጠይቕ ተዛሪባ። ንዓመታት ዝገበረቶ ጻዕሪ ግን ንበለል ኣይተረፈን። \"ኣብ 1983፡ ኣመሪካዊት ሳሊ ራይድ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ጠፈርተኛ ምስ ኮነት ብጣዕሚ ተሓጒሰ። ቴሌፎን ደዊላ እዚ ኹሉ ፈተናታት ብምሕላፍኪ ክትምስገኒ ይግባእ ኢላ ኣመስጊናትኒ\" ትብል። ፋንክ ምስ ናሳ ብዘይምብራራ ከም ዝሓረቐት ትዛረብ፤ እንተኾነ እዚ ናይ ነዊሕ እዋን ሕልማ ካብ ምግሃድ ኣየሰናኸላን። ኣብ መወዳእታ 1990ታት ኣብ ኣመሪካ ፈላመይቲ ኣብ ህዋ እትጉዓዝ በጻሒት ዓዲ ክተከውን ከም እትደልይ ፋንክ ተዛሪባ፥ እዚ ብ2005 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ክካየድ ተሓሲቡ'ኳ እንተነበረ ኣይሰለጠን። ኣብ 2010 ዓ.ም 200,000 ዶላር ብምኽፋል ኣብቲ ሪቻርድ ብራንሰን ዝወጠኖ ናይ ህዋ መገሻ ቨርጂን ጋላክቲክ ንምብራር ትኬት ዓዲጋ። እቲ በረራ ኣብዚ ወርሒ እኳ እንተተፈጸመ ፋንክ ግና ምስታ መንኮርኮር ኣይበረረትን። ጽባሕ ግና ምስ ጀፍ ቤዞስ \"ናይ ክብሪ ጋሻ\" ብምዃን ከትበርር እያ። ልክዕ ከም በረራ ቨርጅን ጋላክቲክ ሮኬት ብሉ ኦሪጅን'ውን ኣብ ህዋ ንኡስ ዑደታዊ ምብጻሕ እያ ክትገብር። ተጉዓዝቲ እዚ በረራ ግን፡ ልክዕ ከምቲ ጠፈርተኛታት ዝገብሩዎ በረራ ዑደት ምህዋር መሬት ኣይኮነን ክህልዎም። ኣብ ቴክሳስ ካብ ዘሎ መወንጨፊ ማእከል ምስ ተበገሱ እታ ኣርባዕተ ተጉዓዝቲ እትሕዝ ሮኬት ኣብ ሰዓት 3,000 ኪሎ ሜትር ክትውንጨፍ እያ። ካብ መሬት ልዕሊ 100 ኪሎ ሜትሮ ርሒቐም ከኣ ስሕበት መሬት ዘይብሉ ኩነት ክሙከሩ እዮም። ኣብዚ እቶም ተጉዓዝቲ ንኣርባዕተ ደቓይቕ ዝኸውን ክብደት ናይ ዘይምህላው ስምዒት ክስምዖም'ዩ። እዚ ጉዕዞ ን10 ደቓይቕ ዝጸንሕ ኮይኑ ብፓራሹት ክወርዱ'ዮም። ድሕሪ ክንደይ ውጻእ ውረድ ከኣ ፋንክ ጠፈርተኛ ክትኸውን እያ።","category":"ጠፈራዊ ዳህሳስ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57829673"} {"headline":"ስነ-ጠፈር: ትካል ጠፈር ኣመሪካ ክልተ ዳህሰስቲ ሳተላይታት ናብ ፕላነት ቬኑስ ክሰድድ ምዃኑ ኣፍሊጡ","content":"ናሳ፡ ምርምራት ከባቢ ኣየርን ስነ-ምድርን ንምክያድ ዳህሰስቲ ሳተላይታት ናብ ቬኑስ ክሰድድ ምዃኑ ኣፍሊጡ። እዞም ኣብ 2028ን ኣብ 2030ን ናብ ቬኑስ ዝግበሩ በረራታት ነፍሲ ወከፎም 500 ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ክግበረሎም እዩ ተባሂሉ። ኣመሓዳሪ ናሳ ዝኾነ ቢል ኔልሰን፡ \"እቶም በረራታት ንልዕሊ 30 ዓመታት ዘይበጻሕናዮ ፕላኔት እንታይነት ንምፍላጥ ክጠቕመና እዩ\" ኢሉ። ብዛዕባ ፕላኔት ናሳ፡ ንመወዳእታ ግዜ ዳህሳስ ዝተኻየደላ፡ ከም ኣቆጻጽራ ኣውሮፓ ብ1990 ከም ዝነበረ እዩ ዝንገር። ማእከል ምርምር ህዋ ዝኾነ ናሳ፡ ነዞም ጉዕዞታት እዚኦም ከካይድ እንትውስን፤ ዝተፈላለዩ ገምጋማት ምስ ገበረን ሳይንሳዊ ኣድላይነትን ወጻኢኡን ተመዚኑ ምዃኑ ምስ ኣረጋገጸ እዩ ተባሂሉ። እቶም ተልእኾታት፡ ድማ፡ ቬኑስ ብኸመይ ንባእታ ሊድ [lead] ከምክክ ብዝኽእል ሓዊ ዝተኸበበ ፕላኔት ክኸውን ከም ዝኸኣለ ንምርዳእ ዝዓለሙ ከም ዝኾኑ እቲ ኣማሓዳሪ ወሲኹ ኣብሪሁ። ቬኑስ ካብ ጸሓይ ቀጺላ እታ ዝወዓየት ኣካል ዩኒቨርስ ከም ዝኮነትን፡ ክሳብ 500 ዲግሪ ሴልሽየስ ከም እትመውቕን ን ሊድ ከምክክ ዝኽእል ዋዒ ዘለዎ ኩነታት ኣየር ከም ዘለዋን ይዝረበላ።","category":"ጠፈራዊ ዳህሳስ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57341744"} {"headline":"ናብ ወርሒ ጕዕዞ ዝተገበረሉ ጃኬት ብ2.8 ሚሊዮን ዶላር ተሸይጡ","content":"በዝ ኣልድሪን ናብ ወርሒ ክጕዓዝ እንከሎ ተኸዲንዎ ዝነበረ ጃኬት ብ2.8 ሚሊዮን ዶላር ተሸይጡ። እዚ ባንዴራ ኣመሪካን ኣርማ ናሳን ዘለዎ ጃኬት፡ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ጨረታ ብልዑል ዋጋ ክሽየጥ እንከሎ፡ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተሸጡ ኣቑሑ ህዋ ኣሜሪካ እቲ ዝኸበረ ኰይኑ’ሎ። እዚ ጃኬት፡ ወዲ 92 ዓመት ኣልድሪን ክሸጦ ካብ ዘለውዎ 69 ውልቃዊ ንብረታት እቲ ሓደ ኰይኑ፡ ንክሸጦ ወሲኑ። ኣፖሎ 11፡ ብ1969 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ናብ ወርሒ ክትጓዕዝ እንከላ ኣብ ውሽጣ ካብ ዝነበሩ ሰለስተ ጠፈርተኛታት እቲ ብህይወት ዘሎ በዝ ኣልድሪን ጥራይ እዩ። ኣልድሪን እትን ኣብ ህዋ ንሽዱሽተ መዓልቲታት ብምጽናሕ፡ ናብ ወርሒ ክወጽእ እንከሎ ነዚ ኣብ እዋን ጉዕዞ እትኽደሎ ሙሉእ ክዳን ተኸዲኑ ነይሩ። ኣብቲ ሽዑ ግዜ ዝነበረ ህሞት፡ ኣስታት 650 ሚሊዮን ሰባት ዓለም ብቐጥታ ብቴሌቪዥን ተኸታቲሎምዎ። ንሱን ኒል ኣርምስትሮንግን ኣብ ወርሒ ንልዕሊ 21 ሰዓት ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ኣፖሎ 11 ምስ ተመልሱ ኣልድሪን እቲ \"ዝያዳ ምቹእ\" ዝብሎ ኣብ በረራ ዝገብርዎ ጃኬት ቀይሮም። እዚ ሓዊ ክዝጻወር ተገይሩ ዝተሰርሐን ብቴፍሎን ዝተለበጠ ጻዕዳ ጃኬት፡ ካብቲ ኣብ 1969 ኣብ ጠፈር ዝተገብረ ጕዕዞ ክሳዕ ሕጂ ዝተሸጠ እንኮ ክዳን እዩ። እቲ ጨረታ ንኣስtኣት 10 ደቒቕ ድሕሪ ምቕጻሉ ኣብ መወዳእታ መንነቱ ዘይተገልጸ ሰብ ብቴሌፎን ከም ዝዓደጎ ነቲ መሸጣ ዝመርሐ ሶተቢ ሓቢሩ። ገለ ካብቲ ንጨረታ ዝቐረቡ ብሕታዊ ንብረት ኣልድሪን ዝተበላሸወ መወልዒን መጥፍኢን ከምኡ'ውን ኣልድሪን፡ ዝተበላሸው ነገራት ንምጽጋን ዝጥቀመላ ዝnበረት ጸላም ብርዕን ይርከቡዎ። ብጠቕላላ፡ እቶም ናብ ጨረታ ዝቐረቡ ንብረታት እቲ ኣስትሮናት ብ8.2 ሚሊዮን ዶላር ዝተሸጡ ኰይኖም፡ ናብ ህዋ ዝኸደን ምስታ ጉጅለ ዝተመልሰን መደብ በረራ ብ819 ሽሕ ዶላር ተሸይጡ።","category":"ጠፈራዊ ዳህሳስ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cgry0npx88eo"} {"headline":"ጠፈር፡ ኣብ ህዋ ፈላመይቲ ‘ጓለ'ባት’ ኣሜሪካዊት","content":"ጠፈርተኛታት ኣብ መገሻኦም እንታይ ይማልኡ? ዝብል፡ ተሪር ናይ ክብደት ደንቢ ክኽተሉ ኣለዎም። ምኽንያቱ፡ ናይ ህዋ ተልእኾ ንውልቃዊ ነገራት ኣዝዩ ንእሽቶ ቦታ እዩ ዝህበካ። ኒኮል ኣውናፑ ማን ግን፡ ነቲ 1.3 ኪሎ ዝምዘን ብጽሒታ፡ እትማልኦ ንምምራጽ ብዙሕ ምሕሳብ ኣየድለያን። ኣብቲ ናብ ጠፈር እትገብሮ ጕዕዞ፡ ክትማልኦ ዝደለየቶ ኣቕሓ ምልክት ናይቲ መበቈላዊ ውርሻኣ እዩ ነይሩ። ናሳ፡ ን5 ጥቅምቲ ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ዘሎ ተልእኾ “ክሩ-5” ናብ ዓለምለኸ መደበር ህዋ (ISS) መደብ ኣለዎ። እታ ኣካል እዚ ተልእኾ ዝዀነት ጓል 45 ዓመት፡ ፓይለት ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ነበር ኰይና፡ ኣብ ጠፈር ናይ መጀመርታ ጓለ’ባት ኣመሪካ ጓለንስተይቲ ክትከውን እያ። ከም ክብሪ መበቈላዊ ዓሌታ ‘ዋይላኪ’፡ ኣደኣ ቪክቶርያ ኣብ እዋን ንእስነታ ዝሃበታ፡ ደቀባት ኣሜሪካ ኣምልኾ ዝዀነ ‘ድሪምካቸር’ - ከም መዘከርታ ስድራቤታ ሒዛ ክትጓዓዝ እያ። ብመሰረት ሓበሬታ ኢንዲጀነስ ፋውንዴሽን፡  እቲ መበቈላዊ ውርሻ፡ 'ሓድነትን ድሕነትን ህዝባ' ዝሕሉ እዩ ተባሂሉ ይእመነሉ። \"እዚ ኣብዚ ጕዕዞ ሒዘዮ ዝኸይድ ንእሽቶ ቁንጣሮ ውርሻ ስድራይ ክኸውን'ዩ\" ክትብል እታ ጠፈርተኛ ንቢቢሲ ተዛሪባ። ማን፡ ተጓዓዚት ጥራይ ኣይኮነትን፤ ኣዛዚት ተልእኾ ናይቲ ስፐይስ ኤክስ ድራጎን ዝበሃል በረራ'ውን ክትከውን'ያ። እቲ ጕጅለ፡ ኣሜሪካዊ ጆሽ ካሳዳ፡ ጃፓናዊ ጠፈርተኛ ኮይቺ ዋካታን ሩስያዊት ጠፈርተኛ ኣና ኪኪናን ዝሓቘፈ እዩ። ኣባላት እቲ ጕጅለ፡ ኣብ ህዋ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ክጸንሑ ምዃኖም ትጽቢት ይግበር። ማን፡ ዓቢ ዓወት ክተምጽእ እውን ትኽእል እያ። ንሳ ኣካል ናይቲ፡ ሓንቲ ኣብ 2026 ቀዳሞት ደቀ'ባት ደቀንስትዮ ናብ ጠፈር ንምስዳድ ዝነበረ መደብ እያ። ንሳ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ \"ኣዝዩ ዘሐጉስ'ዩ\" ክትብል ብዛዕባ እቲ ፍሉይ ተልእኾኣ ተዛሪባ። \"እዚ ተልእኾ ንመንእሰያት ደቀ’ባት ኣሜሪካ ሕልምታቶም ንኽስዕቡን ገለ ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ዕንቅፋታት ይለግሱ ከምዘለዉ ንኽግንዘቡ ከነቓቕሖም ብሓቂ ተስፋ እገብር\" ኢላ። ኣብ ጠፈር ናይ መጀመርታ ካብ ደቀ’ባት ኣሜሪካዊ ሰብኣይ፡ ካብ ህዝቢ ቺካሳው ዝመጸ ጆን በነት ሃሪንግተን ኰይኑ፡ ቅድሚ ዕስራ ዓመት ኣብታ መንኮርኮር ህዋ ኢንደቨር ተሳፊሩ ዝተጓዕዘ እዩ። መበቈላ ካብ ካሊፎርንያ ዝዀነት ማን፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስታንፎርድ መካኒካል ኢንጅነሪን እያ ኣጽኒዓ። ኣብ ማሪን ኮርፕስ ኰሎነል ኰይና፡ ዝተፈላለያ ነፈርቲ ውግእ ኣብሪራ እያ። ኣብ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ንዝካየድ ስርሒታት ውግእ ዝድግፋ፡ ነፈርቲ ምስ ዝጽዕና መራኽብ ክልተ ግዜ ተዋፊራ፡ ንወተሃደራዊ ሓይሊ ኣሜሪካ ብዝገበረቶ ኣገልግሎት ድማ ሽዱሽተ መዳልያታት ተሸሊማ። ማን፡ ኣብ 2013 ጠፈርተኛ ካብ እትኸውን ጀሚሩ፡ እዚ ናይ ሕጂ ተልእኾ፡ፈላሚ በረራ ንጠፈር ክኸውን እዩ። ንሳ፡ ሓንቲ ካብተን ሸሞንተ ጠፈርተኛታት 'ናሳ 21' - ንስርሓት መደበራት ህዋን ኣብ መጻኢ ንወርሕን ማርስን ክወሃብ ንዝኽእል መደባት ዝተመስረተት - እያ። እዚ ንሓሙሻይ ግዜ ናብ ዓለምለኻዊ መደበር ህዋ ዝግበር ተልእኾ ኰይኑ፡ እቲ ጕጅለ 250 ሳይንሳዊ ፈተነታት ከካይድ ምዃኑ ይግለጽ። ናሳ፡ እቲ ሓደሽቲ ምርምራት፡ ኣብ ምድሪ ንዘሎ ህይወት ንምጥቃምን ክንዮ ፕላነት ንዝግበር ዳህሳስ ደቂ ሰባት ንምድላውን ክሕግዝ እዩ ይብል። ጆን ሃሪንግተን፡ ኣብ 2002 ኣብ ዝገበሮ በረራ፡ ኣብቲ ናይ 13 መዓልታት ናይ ህዋ ጻንሒቱ፡ ባንዴራ ቺካሳውን ባህላዊ መሳርሒ ሙዚቃን ሒዙ ከይዱ ነይሩ።","category":"ጠፈራዊ ዳህሳስ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ce9v8942gljo"} {"headline":"ሳይንስ፡ ቢልየነር ጄፍ ቤዞስ ሎሚ ናብ ህዋ ክጓዓዝ ምዃኑ ተፈሊጡ","content":"ቢልየነር ጄፍ ቤዞስ ምስ ካልኦት ሰለስተ ሰባት ብምዃን ኩባንይኡ ብዝሰርሓ ሮኬት ሎሚ ሰሉስ ናብ ህዋ (ጠፈር) ክጓዓዙ እዮም። ሓው ማርክ ቦዜስ፣ ሙክርቲ ምርምህር ህዋ ጓል 82 ዓመት ዋሊ ፋንክ ከምኡ’ውን ወዲ 18 ዓመት ኦሊቨር ዲሜን ምስ ቢልነር ጄፍ ቦዜስ ዝጉዓዙ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ። ንመሬት ብዝሓሸ ኩነታት ንኽርእይዋ ብዝብል ዓበይቲ መሳኹቲ ብዘለዋ በራሪት ናብ ህዋ ከም ዝኸዱ ድማ ተሓቢሩ። ኒው ሺፓርድ ዝተባህለት ሮኬት ብሉ ኦርጂን ብዝብል ስያመ ዝፍለጥ ናይ ጆሰፍ ቤዞስ ኩባንያ ዝተሰርሐት ኮይና ንናይ ህዋ ቱሪዝም ኣብ ግምት ብምእታው ከም ዝተሃነጸት ይግለጽ። ቤዞስ ንማዕኸን ዜና ሲቢኤስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ “ተሃዊኸ ኣለኹ። ይፈርሕ ከይህልው ሰባት ይሓቱኒ ኣለዉ። ኣነ ግን ፈጺመ ኣይፈራሕኹን። እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል ክፈልጥ’የ ዝደልይ” ኢሉ። “ስልጠና ክንገብር ጸኒሕና ኢና። እዛ ሮኬት ድልውቲ እያ፤ ንሕና’ውን ተዳሊና ኣለና፤ ዝገርም ጉጅለ እዩ። ብዛዕባ ጉዕዞና ጽቡቕ ስምዒት’ዩ ዘለና” ክብል’ውን ወሲኹ ገሊጹ። ስምይቲ ተመራማሪት ህዋ ዋሊ ፋንክ ብወገና ነዚ ጉዕዞ ንነዊሕ እዋን ክጽበይዎ ምጽንሖም ብምግላጽ “ነዊሕ እዋን ናብኡ ናይ ምኻድ ሕልሚ ነይሩኒ” ኢላ። ፋንክ ኣብ 1960ታት ኣባል ናይተን ‘ሜርኩሪ 13’ ብዝብል ዝፍለጣ ጉጅለ ደቂኣንስትዮ ኮይና፤ ማዕረ ምስ ደቂተባዕትዮ ናብ ህዋ ንዝግበር በረራ ፈተናታት’ኳ እንተተፈተነት ክሳብ ሕጂ ግን ከይሰለጣ ጸኒሑ። እዚ ጉዕዞ 'ዋላ ሓደ ክንድ'ዚ ነዊሕ ዝተጸበየ የለን' ንእትብል ስልጠና ኣብራሪ [ፓይለት] ንዝወሰደት ሜሪ ዋሌስ ናይ ህይወት ዘመን ሽልማታ'ዩ፤ ነዚ 60 ዓመት ሙሉእ ተጸብያ እያ። ቤዞስ ዝርከቦም ኣርባዕተ ሰባት ሎሚ ሰሉስ ካብቲ ንሱ ዝውንኖ ሮኬት ዝውንጨፋሉ ኣብ ቴክሳስ ዝርከብ ቦታ ከም ዝብገሱ ተሓቢሩ’ሎ። እቲ ኣብ ቱሪዝም ህዋ ዝወዳደሮ ሪቻርድ ብራንድሰን ቅድሚ ትሸዓተ መዓልቲ ብናይ ባዓሉ ነፋሪት ህዋ ንዘካየዶ ተመሳሳሊ መገገሻ ስዒቡ’ዩ ቤዞስ ምስ ኣባላቱ ናብ ህዋ ዝጓዓዝ ዘሎ። ቢልየነራት ናብ ህዋ ኣብ ዝግበር በረራ ብስፍሓት ዝነጥፉ ዘለዉ ኮይኖም፤ ሰባት ናብኡ ዝጓዓዙሉ ዕድል ንምስፋሕ ይጽዕሩ ምህላዎም ይገልጹ። ብእንግሊዛዊ ቢልየነር ሪቻርድ ብራንሰን ዝተጣየሸ ትካል ቨርጂን ጋላክቲክ ፍላይትስ ንሓደ ሰብ ክሳብ 250,000 ዶላር ኣኽፊሉ ናብ ህዋ ክወስድ ከምዝኽእል’ኳ እንተተፈለጠ፤ ናይ ቤዞስ ኒው ሺፓርድ ግን ክንደይ ከምዝኽፈላ ኣይተፈለጠን። ቤዞስን ብራንሰንን ነዚ ኣብ መገሻ ህዋ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ዝቃወሙ ርእይቶታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብስፍሓት ይረኣዩ። ነዚ ዘውጽእዎ ገንዘብ ኣብ ለውጢ ካባቢ ኣየር [ክሊማዊ ለውጢ] ምክልኻል ለበዳ ኮሮናቫይረስን ዝበሉ ዝሓሹ ተግባራት እንተዘውዕልዎ ይምዕዱ። ሪቻርድ ብራንሰን ነዚ ነቐፌታ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ “እዚ ክርድኣኒ ኣይክእልን። ምናልባት ግን ህዋ ንመሬት እንታይ ማለት ከምዝኾነት ብእኹል ዘይተምሃሩ ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም” ክብል ነቒፉ። ሳተላይታት “ምጉሕጓሕ እጽዋትን ኣግራብን፤ ክፍፍል መግቢ ዋላ’ውን ኣብ ለውጢ ክሊማ” ኣብ ምቁጽጻር ከም ዝነጥፋ ብምሕባር ቁጽሪ ናብ ህዋ ዝበራ ነፈርቲ ክውስኽ እምበር ክንክይ ከም ዘይብሉ ገሊጹ።","category":"ጠፈራዊ ዳህሳስ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57899531"} {"headline":"ኣብ ዑደት ዓለምለኻዊት መደበር ጠፈር ታሪኽ ዝሰርሐ ፍሉይ ሰላጣ","content":"ነበርቲ ህዋ ዝኾኑ ጠፈርተኛታት ጥዕንኦም ንክሕሎ እኹል ኣሕምልቲ ምምጋብ ኣገዳሲ'ዩ። እንተኾነ ግን፡ ብኸመይ ኣብ ዑደት ናይተን ዝቕመጡለን መደበራት ጠፈር ኣሕምልቲ ምፍራይ ይክኣል? ሓደ ሰብ ዝተኸሎ ፍሉይ ሰላጣ (ለተስ) ነቲ ግድል ፍታሕ ከይረኸበሉ ኣይተርፍን። ፍራን ሞርቶ'ዩ ዝበሃል። ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ሓደ ናይ ኣፍረይቲ ኣትክልትን ከሸንቲን ምርኢት ተሳቲፉ ናብታ ዝነብረላ ግዝኣት ኦሬጎን ክምለስ ቅድሚ ምብጋሱ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ (ኣመሪካ) ምስ ዓርኩ ኮፍ ኢሉ ነይሩ። \"ሄ፡ ትርእዮ ዘለኻ\" ክብል ዓርኩ ተዛረበቶ። \"ኣብ መደበር ጠፈር ሳላጣ ተኺሎም ኣለዉ።\" ከም ዝዝክሮ፡ ቴለፎና እናርኣየት'ያ ተዛሪባቶ። እንታይ ዓይነት ምዃኑ ሓተተ? እንታይ ዓይነት ምዃኑ ዝገልጽ ሓበሬታ ኣይነበሮን። ክልቲኦም ዘገርም ብልሓት ኢሎም ሓሰቡ። ጸኒሑ፡ እቲ ዝራኣይዎ ተኽሊ ሰላጣ፡ ኣብ ሓደ መጽሄት ምስ ራኣዮ'ዩ ሞርቶን ዝያዳ ኣድህቦ ክገብረሉ ዝጀመረ። እንታይ ዓይነት ምዃኑ ድማ ፈለጦ- እቲ ባዕሉ ዝመሃዞን 'ኣውሬጀስ' (ትንግራዊ) ክብል ዝሰመዮ ዓይነት'ዩ። ተመራመርቲ ትካል ጠፈር ኣመሪካ (ናሳ) ኮነ ካልኦት ኣብ ኣፍደጊኦም ክተኽልዎ ዝደልዩ ዘርኡ ካብቶም ቀንዲ ኣዝርእቲ ዝሸጡ ትካላት ንግዲ ክገዝእዎ ዝኽእሉ'ዩ። ብሓቂ ድማ፡ ነቶም ተመራመርቲ ጠፈር ምስተወከሶም፡ ካብኡ'ዮም ገዚኦሞ። ሞርቶን ነቲ ተኽሊ ምስ ኣፋለጦ፡ 'ኣውትረጀስ' ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ህዋ ዑደት ብምክያድ ታሪኽ ዝሰርሐ ሓምሊ ኮይኑ'ሎ። ሞርቶን ንፈለማ እዋን ሰላጣ ብምርባሕ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ጋሻን ትርኢቱ ጽቡቕን ሓምሊ ነቲ ንሱን ብዓልቲ ቤቱን ዘካይድዎ ኣብ ክፍለሃገር ኦሬገን ዝርከብ ተፈጥሮኣዊ ('ኦርጋኒክ') ሕርሻ መካ (መስሕብ) ከሸንቲን በጻሕትን ገይርዎ ይርከብ። ሞርቶን ቅድሚ ኣርብዓ ዓመት'ዩ ምርባሕ ሓምሊ ሰላጣ ብሓደ ኣብ ሰፊሕ ቀጠልያ ግራት ዝራኣዮ ዘይንቡር ቀይሕ ዝሕብሩ ዓሌት ፈሊሙ። ኣብ 1981 ምዃኑ'ዩ። ሞርቶን፡ ንመጀመርታ ግዜ ሕርሻ ዝፈተነሉ እዋን'ዩ ነይሩ። ፈለማ ክልተ ዓይነት ሰላጣ'ዩ ዘሪኡ፡ ነዊሕ ርእሲ ዘለዎ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝበቁል ቀይሕን ሕብሪ ዘለዎን እቲ ልሙድ ቀጠልያ ሰላጣን። ዓብዪ፡ ዓንቢቡ ናብ ፍረ ምስበጽሐ፡ ንዝቕጽል ዓመት ንኽዘርኦ ካብቲ ፍረ ኣቐመጠ። ካብቲ ምስ ዘርኦ ዝበቖለ ልዕሊ 200 ናይ ሰላጣ ተኽሊ፡ ሓደ ዘይንቡር ነገር ተዓዘበ። \"ኣብ ማእከል'ቲ ኩሉ ቀጠልያ ኣትክልቲ፡ ሓንቲ ቀያሕ ትርአ\" ክብል ሞርቶን መበገሲ ናይቲ ታሪኽ የዘንቱ። ኣብ መንጎ ክልቲኡ ዓሌታት ዝተዋሰበ ምዃኑ ድማ ኣስተውዓለ። ነዚ ንምርግጋጽ፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ንክልቲኡ ምስ ኣዋሰቦ ድማ፡ ዝተፈላለየ ቅርጽን ሕብርን ዘለዎ ሰላጣ ሸኽ ኢሉ በቖለ። ቅድሚኡ ግረጎር መንደል ዝተባህለ ኦስትራያዊ ፈላሲ ኣብ ጥረታት ተመሳሳሊ ፈተነታት ብምግባር ንስነፍልጠት መፈጠር (ጀነቲክስ) ኣፍደገ ምኽፋቱ ይፍለጥ። ሞርቶን ድማ ብተመሳሳሊ መንገዲ ንምውርራስ ኣይነት ናይቲ ሓምሊ ክግንዘብ ኪኢሉ። ቀይሕ ሕብሪ ንቀጠልያ ከምዝዕብልል ድማ ተረዲኡ። በቲ ኩነታት ኣዝዩ ዝተማረኸ ሞርቶን፡ በቐጻሊ ናይ ምርባሕን ምድቓልን መስርሕ ዝተፈላለየ ወለዶታት ናይቲ ሰላጣ ብምፍራይ መነባብርኡ ክመርሕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካልእ ውጽኢት ንምርኣይ ተምሳጥን ህንጡይነትን ሓደሮ። \"ኣብቲ እዋን፡ ሓደ ነገር ኣብ ኣእምሮይ በለጭ ኢሉ\" ድማ ይብል። \"ካብኡ ንድሓር፡ ፈተነታት ከካይድ ጀሚረ... ኣብቲ እዋን፡ ሰላጣ እቲ ልሙድ ቀጠልያ ሓምሊ ጥራይ'ዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሕብራዊ 'ኣውትረጀስ' ኣብ ዕዳጋታት ክረአ ምስ ጀመረ ኣቓልቦ ዝሰሓበ ነበረ። \"ኣዝዩ ድሙቕ ቀይሕ ብምንባሩ፡ ሰብ ጀራዲን ሰላጣ ኣይመስሎምን'ዩ ነይሩ\" ዝብል ሞርቶን፡ \"ቀይሕ ምንባሩ ዘገረም ስለዝነበረ ድማ'የ ነቲ ስም [ኣውትረጀስ] ሂበዮ\" ብምባል ብዛዕባ ዝሓደሮ ተመስጦ ይዝክር። ብድሕሪኡ፡ ዘርኢ ናይቲ ዓሌት ሰላጣ ኣብ ሓደ ኣዝርእቲ ዝሸይጥ ትካል ከምዝርከብ ገበረ። ድሕሪ ነዊሕ እዋን፡ ነቲ ኣብ ዓለምለኻዊ መደበር ጠፈር ነቲ ተኽሊ ዘዕበየ ተመራማሪ ጠፈር ናሳ ምስ ተወከሶ፡ ካልእ ዘይፈለጦ ባህሪ ከምዘለዎ'ውን ክርዳእ ኪኢሉ። እቶም ተመራመርቲ ጠፈር፡ እንታይ ዓይነት ናይ ሰላጣ ተኽሊ ከምዝፍትኑ ምስ ሓሰቡ፡ ማሕድሮ ተሃዋስያን (ባክተርያ) ዘይከውን ክመርጹ ወጠኑ። 'ኢ-ኮሊ' ዝተባህለ ባክተርያ፡ ናብ ህዋ እንተኸይዱ፡ ንጠፈርተኛታትን ካልኦት ኣትክልትን ሕማም ከየስዕበሎም ስግኣት ነይርዎም። \"ኣብ ቆጽሊ ኣውትረጀስ ኣዝዩ ውሑድ ዕብየት ተሃዋስያን ከምዘሎ\" ነጊራትኒ ክብል ብዛዕባ'ቲ ምስታ ተመራማሪት ዝገበሮ ዝርርብ ይገልጽ። በዚ ድማ ኣብ ህዋ ታሪኽ ክሰርሕ ዝተመርጸ ዓሌት ሰላጣ ክኸውን በቒዑ። ሞርቶን ኣብዚ ሕጂ'ውን ዘገርም ናይ ምድቓል ፕሮጀክትታት የካይድ ኣሎ። \"ዕምባባ ጽገሬዳ ገዚእካ ዳርጋ ምብላዕ'ዩ\" ክብል ንተኽእሎታት ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎ ሰላጣ ይዛረብ።","category":"ጠፈራዊ ዳህሳስ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58443659"} {"headline":"ስነ-ጠፈር፡ ሓደ ካብቶም ንፈለማ እዋን ንወርሒ ዝተወንጨፉ ጠፈርተኛታት ዝኾነ ማይክ ኮሊንስ ሞይቱ","content":"ሓደ ካብቶም ንፈለማ እዋን ኣብ 1969 ናብ ወርሒ ዝተወንጨፉ ሰለስተ ኣመሪካውያን ጠፈርተኛታት ዝኾነ፡ ማይክል ኮሊንስ ኣብ መበል 90 ዓመቱ ዓሪፉ። ንፈለማ እዋን፡ ኣብ ወርሒ እግሩ ዘንበረ ኒል ኣርምስትሮንግን ምስኡ ኣብ ገጽ ወርሒ ዝረገጸ ባዝ ኣልድሪንን፡ ከምኡ'ውን ማይክል ኮሊንስን ኣካል ናይታ ብኣፖሎ 11 ትጽዋዕ መንኮርኮር ትካል ጠፈር ኣመሪካ፡ ናሳ፡ ብምዃን ታሪኽ ዝሰርሑ ጠፈርተኛታት'ዮም። ኮሊንስ፡ ክልቲኦም ብጾቱ ናብ ባይታ ወርሒ ኣብ ዝወረድሉ፡ ኣብታ ዝወሰደቶም ኣፖሎ 11 ተባሂላ እትፍለጥ መንኮርኮር ብምዃን ኣብ ዙርያ ወርሒ ዑደት እናካየደ ዝጽበዮም ዝነበረ'ዩ። \"ማይክ፡ ምስ ሕማም መንሽሮ ክቃለስ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብረቡዕ ዓሪፉ'ሎ። እተን ዘሕለፈን፡ ናይ መወዳእታ መዓልታቱ ሰላም ዝዓሰለን እየን ነይረን። ቤተሰቡ ኣብ ጎኑ ነይሮም\" ክብሉ ስድራቤቱ ኣፍሊጦም። እቲ ስድራቤት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ \"ማይክ፡ ንዘገጥሞ ብድሆታት ብጸጋን ትሕትናን'ዩ ዝገጥሞ ነይሩ። ነዚ ንመወዳእታ ግዜ ዝገጠሞ ብድሆ''ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ'ዩ ገጢምዎ\" ኢሉ። \"ኣዚና ክናፍቖ ኢና። ሓደ ነገር ግን ይርዳኣና፡ ማይክ፡ ነቲ ዝነበሮ ሂወት ክነብር ምኽኣሉ ዕድለኛ ምዃኑ'ዩ ዝቖጽሮ ነይሩ። \"ንድሌቱ ብምኽባር፡ ክንዲ ነልቅሰሉ፡ ንዝነበሮ ሂወት ክንጽንብሎ ኢና\" ይብል እቲ መግለጺ። ካብቶም 3 ፍሉጣት ጠፈርተኛታት ወዲ 91 ባዝ ኣልድሪን ጥራይ ብሂወት ተሪፉ'ሎ። ኒል ኣርምስትሮን ኣብ ነሓሰ 2012 ኣብ መበል 82 ዓመቱ ምማቱ ይዝከር። በረራ መንኮርኮር ኣፖሎ 11 ሓደ ካብ ዓበይቲ ፍጻሜታት ዓለም ኮይኑ ኣብ ታሪኽ ተሰኒዱ ይርከብ። ብ20 ሓምለ 1969 ኒል ኣርምስትሮግ ንፈለማ እዋን፡ እግሩ ኣብ ሓመድ ወርሒ ኣብ ዝተንከፈሉ ግዜ \"ሓደ ስጉምቲ ንሓደ ሰብ፡ ዓቢ ዝላ ንወዲ ሰብ\" ክብል ዘቃልሖ ቃላት ወትሩ ክዝንቶ ዝነብር ዛንታ ኮይኑ'ሎ። ብድሕሪኦም ናብ ገጽ ወርሒ ዝበጽሑ ጠፈርተኛታት'ኳ እንተለዉ፡ ካብ 1972 ጀሚሩ ግን ናብታ ድምቕቲ ወርሒ ዝበጽሐ ሰብ የለን።","category":"ጠፈራዊ ዳህሳስ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56922866"} {"headline":"ብሉ ኦሪጂን፡ ቢልዮነር ጀፍ ቤዞስ ናብ ህዋ ኣብ ዝገብሮ ጉዕዞ ሓደ ኮተቴ ክማላእ እዩ","content":"ሓደ ወዲ 18 ዓመት ኮተቴ ምስ ጀፍ ቤዞስ ናብ ህዋ ንምብራር ኣንቂዱ ብምህላው ታሪኽ ክሰርሕ ይቀራረብ ኣሎ። ወናኒ ኣማዞንን ኣብ ዓለም ዝሃብተመ ሰብ ዝኸነን ጀፍ ቤዞስ ባዕሉ ብዝሃነጻ መንኮርኮር 20 ሓምለ ናብ ህዋ ክበርር እዩ። ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ምስ ጀፍ ቤዞስ ናብ ህዋ ንምብራር ኣብ ዝወጸ ህዝባዊ ጨረታ ሓደ መንነቱ ዘይተገለጸ ሰብ ብ 28 ሚልዮን ዶላር ምዕዋቱ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ ተዓዋቲ እቲ ጨረታ፡ መዓልቲ እቲ በረራ ምስ ካልእ መደባት ስለዝተጋጨዎ፡ ኦሊቨር ዴመን ዝተባህለ ኮተቴ ኣብ ክንድኡ ክበርር ከም ዝተገበረ እቲ ነታ መንኮርኮራ ዘማዕበለ ብጀፍ ቤዞዝ ዝውነን ትካል ብሉ ኦሪጅን ኣፍሊጡ። እቲ ኮተቴ ወዱ ንዋና ኣካያዲ ስራሕ 'ሶመርሰት ካፒታል ፓርትነርስ'፡ ጆ ዴመን እዩ። ሚስተር ዴመን ምስታ ካልኣይቲ በረራ ስፍራ ኣውሒሱ ዝነበረ'ኳ እንተኾነ፡ ተዓዋቲ ናይታ ቀዳመይቲ በረራ ካብቲ ጨረታ ብምንስሓቡ ምስታ ቀዳመይቲ ክበርር ከም ዝተገብረ ትካል ብሉ ኦሪጅን ሓቢሩ። በዚ ድማ እዩ ሚስተር ዴመን ነቲ ተማሃራይ ፊዚክስ ዝኾነ ወዱ ክልእኽ ወሲኑ። ብዘይካኡ ኣብታ መንኮርኮር ወዲ 82 ዓመት ዋሊ ፋንክ፡ ጆፍ ቤዞስን ሓውን ክበርሩ እዮም። እዚ ክውን ምስ ዝኸውን፡ ዋሊ ፋንክ ዝዓበየ ናብ ህዋ ዝበረረ ሰብ ኮይኑ ክምዝገብ እዩ። ሚስተር ዴመን ነቲ ጨረታ ብኽንደይ ገንዘብ ከም ዝተዓወተሉ ኣይተሓበረን። ብሉ ኦሪጅን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ኮተቴ \"ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ካብ ዝነበረሉ እዋን ጀሚሩ ብዛዕባ ህዋ፡ ወርሕን ሮኬታትን ፍሉይ ተገዳስነት\" ከም ዝነበሮ ብምግላጽ ሕልሙ ጋህዲ ክኸውን ምዃኑ ሓቢሩ። እታ 20 ሓምለ እትውንጨፍ መንኮርኮር ካብ መሬት 100 ኪሜ ብራኸ ብምብጻሕ፡ ተሳፈርታ ስሕበት መሬት ዘይብሉ ኩነት ክሙከሩ ክተኽእል እያ። ብድሕሪ እዚ፡ እታ መንኮርኮር ጋንጽላ ብምጥቃም ናብ መሬት ክትምለስ እያ። እቲ መገሻ ኣስታት 10 ደቓይቕ ክወስድ ትጽቢት ይግበር። ጀፍ ቤዞስ ኣብ 2000 እዩ ንትካል ብሉ ኦሪጅን መስሪቱ፤ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድማ፡ ምስ ሓው ብምዃን ኣብቲ ፈላሚ በረራ ናብ ህዋ ክገይሽ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቢልዮነር ሰር ሪቻርድ ብራንሰን ብናይ ባዕሉ መንኮርኮር ቨርጂን ጋላክቲክ ናብ ጥርዚ ህዋ በጺሑ ከም ዝተመለሰ ዝዝከር እዩ።","category":"ጠፈራዊ ዳህሳስ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57859773"} {"headline":"ቴክኖሎጂያዊ መፍትሒታት ክትፈጥር እትህቅን መሃንድስ ኤሮስፐይስ- ቤተልሄም ግርማ","content":"ቤተልሄም ግርማ ኣሰፋ ትበሃል። ኣብ ካቴድራል ካቶሊክ ልደታ ተማሂራ። ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ድሕሪ ምዝዛማ፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ - ኣምስት ኪሎ፡ ሲቪል ኢንጂነሪን ከተጽንዕ ጀሚራ። እንተዀነ ብዙሕ ኣይቀጸለትን።፡ \"ኣብ ኣምስት ኪሎ፡ ጀሚረዮ ዝነበርኩ ዓውዲ ሲቪል ኢንጂነሪን ኣቋሪጸ እየ ናብ ቻይና ዝኸድኩ፡\" ትብል ቤተልሄም ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመጠይቕ። ቈልዓ ካብ ዝነበረትሉ ኣትሒዛ፡ 'ምስ ዓበኺ እንታይ ክትኰኒ ትደልዪ?' ተባሂላ ኣብ ትሕተተሉ ዝነበረት ግዜ 'ኣስትሮኖት' [ጠፈርተኛ] ትብል ነይራ። \"ንእሽቶ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ ኣትሒዘ፡ እንታይ ክትኰኒ ኢኺ ትደልዪ ከበሃል እንከለኹ፡ 'ኣስትሮኖት' እየ ዝብል ነይረ፣ ኣብ ኢትዮጲያ ብዛዕባ ጠፈር ብዙሕ ዘይፍለጠሉ ዝነበረ ግዜ ማለት እዩ።\" ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ክትኣቱ እንከላ ግን፡ ብዙሓት ምኽንያታት ናብ ሲቪል ኢንጂነሪን ከተዘንብል ደፋፊኦምዋ ነይሮም እዮም። \"እናዓበኹ ክኸይድ ከለኹ ግን ምርጫታተይ ኣመዓራርየ፡\" ድሕሪ ምባል፡ \"ኣብ ከባቢየይ ዝነበሩ ሰባት እናሰማዕኩ፣ ኣቦይ ብዓውዲ ሲቪል ምህንድስና ዝተመረቐ'ውን ስለዝነበረ ሲቪል ምህንድስና መሪጸ፡\" ትብል። ነቲ ትምህርቲ ዝነበራ ድሌት ግን ኣይቀጸለን፣ ውጽኢታዊት'ውን ኣይነበረት። ብኸምኡ'ያ ኸኣ፡ \"ናብቲ ሓቀኛ ድሌተይ ዝዀነ ዝፈትዎ ዓውደ-ፍልጠት ክምለስ ከም ዘለኒ ዝተገንዘብኩ፡\" እትብል። \"ዘቋረጽኩሉ ቀንዲ ምኽንያት ድሌት ዘይምንባር እዩ። ብናተይ ድሌት ዘይኰነስ፡ በቲ ኣብ ከባቢየይ ዝዕዘቦን ዝሰምዖን ዝነበርኩ ተደፋፊአ እየ ሲቪል ምህንድስና ዝመረጽኩ። ብዙሕ ኣድማዒት'ውን ኣይነበርኩን። ስለዚ ናብቲ ዝደልዮ ከቕንዕ ግድን ነይሩ፡\" ትብል። ድሌታ ከተተግብር ከኣ ቻይና መሪጻ። \"ኣብ ቻይና፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ 'ኤሮነቲክስ ኤንድ ኣስትሮኖቲክስ' ኣትየ 'ኤሮነቲካል ኢንጂነሪን' ኣጽኒዐ ቀዳማይ ዲግሪ ረኺበ፡\" ትብል ቤተልሄም። ኤሮነቲክስ ስነፍልጠት በረራ ጠፈር እዩ። ኣውሮፕላን ይዅን ካልእ ዝዀነ በራሪ ግኡዝ ዝነድፍ ዓውዲ'ውን እዩ። ኣብቲ፡ 'ምስ ዓበኹ፡ ሓኪም፡ ፓይለት፡ ወይ ጋዜጠኛ' እናበልካ ዝምለሰሉ ዝነበረ ግዜ፡ ቤተልሄም ስለምንታይ እያ ኤሮነቲክስ ዘቐደመት? \"ብቝልዕነተይ ደስ ዝብሉኒ ነገራት ነይሮም። ብዛዕባ በረራን ጠፈርን ደስ እዩ ዝብለኒ ነይሩ። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ብማተማቲክስ ልዑል ብቕዓት እዩ ነይሩኒ፣ ናብዚ ዓውዲ ድማ መጺአ፡\" ብምባል ትምልስ። ቤተልሄም ኣብ ትምህርታ ጸብለል ኢላ ብልዑል ማዕረግ እያ ተመሪቓ። እቲ ዓውደ ትምህርቲ ብዙሕ ፍሉጥ ስለዘይነበረ ግን፡ ብዙሕ ሕቶታት ይቐርበላ ነይሩ። \"ተመሃሪት ኣብ ዝነበርኩሉ፡ ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ናብ ኢትዮጲያ ክመጽእ እንከለኹ፡ ሰባት ይሓቱኒ እሞ ግር ይብሎም። ኣብዚ ዓዲ ክትሰርሒ ትሓስቢ እንተዄንኪ የዋጽኣኪ ዶ?' ይብሉኒ ነይሮም። ንብዙሕ ሰብ ኣይወሓጠሉ ነይሩ።\" \"ብዙሓት ከም ክሳራ እዮም ዝሓስብዎ። እንተርኢኻ ግን ኣብ ዓለም ብዙሕ ለውጢ ዘምጽኡ ሰባት እቶም 'ኣይከውንን እዩ እናተባህሎም፡ ግን ከይዶም ሓሳቦም ዝፍጽሙ እዮም፡\" ትብል። እሞ ዘዋጽእ ኰይኑ ዶ ረኺብክዮ? ዝሰዓበ ሕቶ ቢቢሲ እዩ ነይሩ። \"ብልክዕ እምበር። ግን የዋጽእን ኣየዋጽእን ከከም ኣተረጓጕማና ይፈላለ እዩ፡\" ድሕሪ ምባል፡ \"ዝዀነ ብገንዘብ ጥራይ ክንልክዖ የብልናን። ንዓይ ኣብቲ ዝፈትዎ ዓይነት ስራሕ ክሰርሕ ምኽኣለይ እዩ ዓቢይ ዓወት። ብድሕር'ዚ እዩ ጕዳይ ኣታዊ ዝመጽእ ኢለ እየ ዝኣምን። ኣብ ዝፈትዎ ስራሕ ክሰርሕ እንከለኹ እየ ብቕዓት ስራሕ ከረጋግጽ ዝኽእል፣ ኣፍራይነት ድማ ብኡ መንጽር ይዓቢ። ከምዚ በለ መገዲ እየ ክኽተል ዝመረጽኩ፡\" ብምባል ትምልስ። ፈተና ዝመልኦ ጕዕዞ ትምህርቲ ብንእሽቶኣ እንከላ ኣቦኣ ከም ዝሞተ ትገልጽ ቤተልሄም፡ \"ኣደይ እያ ንበይን ኣምሂራትኒ፡\" ብምባል ብዛዕባ ኣተዓባብያኣ ትዛረብ። ኣደኣ ንወጻኢ ሰዲደን ከምህራኣ ዓቕሚ ኣይነበረንን። ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝጀመረቶ ትምህርቲ ክንዲ ትቕጽል ከኣ፡ 'መጸዋዕታ ውሽጠይ እዩ' ናብ ዝበለቶ ዓውዲ 'ኤሮነቲካል ኢንጂነሪን' ኣድሂባ። ስለዚ ቻይና ከይዳ፡ መምሃሪኣ ዝኸውን ገንዘብ ፍርቁ ብማህደረ ትምህርቲ ፍርቁ ድማ ሰሪሓ ክትከፍሎ እዩ ዕላማ ገበረት። ቻይና ምስ ከደት ግን ከምቲ ዝሓሰበቶ ኣይነበረን። \"ኬድካ ክትርእዮም እንከለኻ ነገራት ካልእ ኰይኖም እዮም ዝጸንሑኻ። መቸም ከምቲ ዝሓሰብክዎ ቀሊል ኣይነበረን፣ ክብድ ዝበለ እዩ ነይሩ። እንተዀነ በቲ ከቢድ መገዲ ምሕላፈይ ነዚ ሕጂ መንነተይ ቀሪጽዎ እዩ ኢለ'የ እሓስብ፡\" ትብል። እዚ ድሕሪ ምስጋራ ድማ ኣብ ካልኣይ ዓመት ተመሃሪት ኣብ ዝነበረትሉ፡ ሓደጋ መኪና ኣጋጢምዋ። ካልኣይ ዓመት እናተማህረት ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ብመልክዕ 'ኢንተርንሺፕ' [እናሰራሕካ ልምዲ ትቐስመሉ ኣገባብ] ትሰርሕ ነይራ። ናብ ቻይና ቀቅድሚ ምምላሳ፡ ምስ ኣርባዕተ መሓዙታ ክዘናግዓ ኢለን ናብ ቢሾፍቱ እናኸዳ ግን ሓደጋ መኪና ወሪዱወን። እቲ ሓደጋ ከመይ ከም ዝዀነ ደሓር ሰባት ብዝነገርዋ እያ ክትፈልጦ ክኢላ። \"ብሰባት ዝተነግረኒ እዩ፣ ናብ ቢሾፍቱ እናኸድና ኣብቲ ዓቢይ ጽርግያ ሓንቲ መኪና ብድሕረና ሃሪማትና ገዲፋትና ከይዳ፣ ካብኡ ናብ ሆስፒታል ወሲዶምና፡\" \"ክሳብ ሕጂ'ውን ከመይ ከም ዝነበረ ዝዝክሮ የለን። ትዝ ዝብለኒ፡ ኣብ ሆስፒታል ክበራበር ምስ ጀመርኩ፡ ኣካላተይ ግን ምንቅስቓስ ክኣብየኒ እንከሎ እዩ። ርእሰይ ተሃሪመ ስለዝነበርኩ፡ ንሓጺር ግዜ ናይ ምርሳዕ ሽግር ኣስዒቡለይ ነይሩ። በዚ ሽግር ምርሳዕ፡ ናይ ቅድሚ ሓሙሽተ ደቒቕ ዝርስዕ እየ ኰይነ ነይረ። እቲ ናይ ቀደም ዝኽሪ ኣብ ቦታኡ ነይሩ እዩ። ቅድሚ ሓሙሽተ ደቒቕ ዝረኸብክዎ ሰብ ግን ይርስዖ። ደሓር ግን ቀስ እናበለ እዚ ጸገም እናጠፍአ ከይዱ። ኣብ ርእሲኡ፡ ጸጋማይ ዓይነይ ካብ ቦታኣ ተንቀሳቒሳ፡ 'ዳብል ቪዥን' [ድርብ ምስሊ] ትፈጥር ነይራ። ክኸይድ ኣይክእልን ነይረ። ብመራኹስ እየ ዝጓዓዝ ነይረ።\" ካብተን ኣርባዕተ መሓዙት፡ ቤተልሄምን ሓንቲ መሓዛን እየን ኣብታ መኪና ብድሕሪት ኮፍ ኢለ ነይረ፣ ንዓታትን እዩ ድማ ከቢድ መጕዳእቲ ዝወረደን። \"ኣነን ሓንቲ መሓዛይን ብድሕሪት ነይርና። እታ መሓዛይ ኣመና ስለዝተሃስየት ክሳብ ታይላንድ ከይዳ እያ ተሓኪማ፡\" ቤተልሄም ሓደ ሰሙን ኣብ ሕክምና ጸኒሓ፡ ሕክምናኣ ክትከታተል ድማ 15 መዓልቲ ትምህርቲ ሓሊፍዋ። 'ክትእገዲ ኢኺ' ዝብል መልእኽቲ ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ተጻሒፉላ። ሓኪም ድማ ተወሳኺ ናይ ሰለስተ ወርሒ ሕክምናዊ ክትትል ከም ዘድልያ ኣፍሊጡ። \"ንትምህርቲ ኢለ ብዙሕ ዋጋ ምኽፋለይ ሓካይም'ኳ እንተዘይፈትውለይ፡ ምርኵስ ሒዘ ሳንጣይ እናጓሰስኩ ናብ ቻይና ተመሊሰ፡\" ክትብል ትዝክር። \"ኣብ ኣካለተይ ብዙሕ መድሃኒት ነይሩ፣ ኣብ ውሽጢ ክፍሊ ትምህርቲ ምክትታል እጽገም ነይረ፣ የሕምመኒ። ስራሕ ምስራሕ'ውን ከምኡ። ኣድህቦ ገይረ ከጽንዕ ኣይከኣልኩን፣ ኣብ ውሽጢ ክፍሊ ድቃስ ይመጽኣኒ ነይሩ፣ውጽኢት ትምህርቲ ድማ ከንቈልቍል ጀሚሩ።\" ትብል። እንተዀነ ወዮ ሓደጋ ስግኣት ዘይኰነ ተስፋ፣ ሓዘን ዘይኰነ ደስታ ሒዙላ መጺኡ። ግን ብኸመይ? \"ኣዝዩ ከቢድ'ኳ እንተዀነ፡ ካብቲ ብደገ ዝርኣዮ ንላዕሊ፡ ኣብ ውሽጠይ ብርትዐን ሓያል ናይ ምንባር ድሌትን ነይሩኒ። ሽዑ ህይወተይ ዝተቐየረ ኰይኑ ተሰሚዑኒ፣ ከም ብሓዲስ ዝተሰራሕኩ ኰይኑ እዩ ዝፍለጠኒ፣ 'ኣመና ደስ ዝብለኪ ኣጋጣሚ' ክበሃል እንከለኹ፡ እቲ ሓደጋ መኪና እየ ዝብል፣ ምኽንያቱ ብዙሕ ሽግር'ኳ እንተነበሮ፡ ሓድሽ መኣዝን ህይወት ዝፈጠረለይ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። ብዛዕባኡ ተመሊሰ ክሓስብ እንከለኹ ደስ ዝብል ዝኽሪ እዩ ነይሩኒ፡\" ብምባል ሓሳባ ተረድእ። ጸጋመይቲ ዓይና ሕጂ'ውን ምስሊ እናደራረበት ተርእያ እያ። \"ናብራ ኵርኳሕ ዘይብሉ ክኸውን የብሉን። ፈተነ እንተሎ'ውን ክቕጽል ኣለዎ። ህይወት ምልእቲ ክትከውን የብላን፡\" ትብል። መሓዛኣ ሕክምናኣ ወዲኣ ደሓን ኰይና እያ። ኵሉ በቲ ክጓዓዘሉ ዝግባእ መገዲ ይኸይድ ኣሎ። ኣርባዕተአን እተን መሓዙት፡ ብዛዕባ'ቲ ሓደጋ መኪናን ዝኽረንን ትመኵሮአንን ዝገልጽ መጽሓፍ ብሓባር ይጽሕፋ ኣለዋ። ቤተልሄም ኣብ ኢትዮጵያ ከም ሕልማ እናነበረት ብሞያኣ እያ ተገልግል ዘላ። ኣብዚ እዋን ኣብ ኢንስቲዩት ስፐይስ፡ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኢትዮጲያ ተሓጋጋዚት ተመራማሪት ኰይና ትሰርሕ ኣላ። ኣብቲ ኢንስቲትዩት ኣብ ዝግበሩ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት'ውን ትሳተፍ እያ። 'ኣብ ምህንድስና ኤሮስፐይስ፡ መጽናዕትን ምርምርን ኣብ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ይሰርሕ ኣለኹ፡\" 'ሓደ ካብኡ፡ ፕሮጀክት ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ [ድሮን] እዩ። ካልኦት ኣገደስቲ ፕሮጀክታት'ውን ኣለውና። ንኣብነት፡ ሓደ ቤተ-ፈተነ ኤሮስፐይስ ንምህናጽ ወጢንና ኣለና። እቲ ስራሕ ተጀሚሩ እዩ፣ ቤተ-ፈተነን ዎርክሾፕን ዘጠቓለለ እዩ። ካብ ናትና ምርምርን መጽናዕትን ሓሊፉ፡ ዝተፈላለዩ ተመሃሮ መጽናዕቲ ክገብሩ ዝኽእሉሉ ቦታ ክኸውን እዩ፡' ብምባል፡ ኣብቲ ኢንስቲትዩት እትሰርሖም ስርሓት ተረድእ። ኣብ ምህንድስና ኤርስፐይስ፡ ብዘይካ ቀዳማይ ዲግሪ፡ ላዕለዋይ ደረጃ የብልናን። ነዚ ላዕለዋይ ደረጃ ንምጅማር ኣብ ዘኽእል መስርሕ ምንዳፍ ካሪክሉም ንምስታፍ'ውን ዕድል ረኺባ ነይራ። እቲ ዝተዳልወ ካሪክሉምተገምጊሙ ተቐባልነት ረኺቡ፣ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ድማ ትምህርቲ ክጅመር እዩ። ኣበርክቶ ቤተልሄም ኣብዚ ጥራይ ዝሕጸር ኣይኰነን። ዓቢይ ለውጢ ክፈጥር ከም ዝኽእል ኣብ ዝተገመተ ፕሮጀክት 'ድሮን ሕርሻ' እውን ትሳተፍ እያ። ንሳ ከም እትብሎ፡ ኣብ ኢትዮጲያ ዘሎ ድሑር ሜላ ሕርሻ እዩ ናብዚ ዓውዲ ቈላሕታ ክትገብር ደሪኽዋ። \"ሕጂ እንሰርሖ ዘለና፡ ኣብ ሰፊሕ ሕርሻ፡ መድሃኒት ዝነጽግ 'ተክስኮፕተር' ዝበሃል ዓይነት ድሮን እዩ።\" እዚ ዓይነት ድሮን፡ መድሃኒት ጸረ-ባልዕ ዘራእትን ድዅዒን ክነጽግ ዝኽእል እዩ። ቀንዲ ዕላማኡ ኸኣ፡ ኣብቲ ዓንዲ ሕቘ ምጣነ ሃብቲ ሃገር ዝዀነ ሕርሻ ለውጢ ክተእታቶን፡ ምህርቲ ሕርሻ ከም ክዓቢ ምግባርን እዩ። በዚ ተክኖሎጂ ተደጊፉ ካብ ያታዊ ኣገባብ ማሕረስ ናብ ዝመናውነት ንምስግጋርን፡ ኣፍራይነት ምዕባይን እዩ። \"እቲ ንሓረስቶት ነዊሕ ግዜ ሃልክን ዝሓቶም ስራሕ፡ ብድሮናት ብቐሊሉ ኣብ ሒደት ደቓይቕ ክዕመም ይከኣል እዩ። መድሃኒት ጸረ-ባልዕ ይዅን ድዅዒ ብመዳይ ጥዕና እንክረኣዩ ኣዝዮም ሓደገኛታት እዮም። ሓረስታይ ብማዕዶ ድሮናት እናተቘጻጸር ማሕረሱ ክገብር ምኽእል ብዙሕ ጥቕሚ እዩ ዘለዎ፡\" ብምባል ብዛዕባ'ቲ ትሳተፈሉ ዘላ ፕሮጀክትታት ትገልጽ። ኢንስቲትዩት ስፐይስ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኢትዮጲያ፡ ቀንዲ ዕላማኡ፡ ምህናጽ ዓቕሚ ሰብ እዩ። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጲያ ክስርሑ ዝኽእሉ ነገራት ምስራሕ ዝብል'ውን የጠቓልል። ናብ ኣገልግሎት ሕርሻ ዝውዕል ድሮን ዝብል ሓሳብ ካብ ባዶ እዩ ነቒሉ። ሕጂ ልዕሊ ፍርቂ ናይቲ ስራሕ ተዓሚሙ'ሎ፣ ዝተርፍ፡ ነተን ድሮናት ኣገጣጢምካ ምፍታን ጥራይ እዩ። ቤተልሄም ኣብዚ ቀረባ ግዜ፡ ብኢንዱስትሪ ጠፈር ኣፍሪቃ ፡ ካብ 10 ብሉጻት ትሕቲ 30 ዓመት ተመራመርቲ ስነፍልጠት ጠፈር ተረቝሓ'ላ። ኣብዚ፡ ሒደት ደቀንስትዮ ዝተረቝሓሉ ሕርያ፡ ካብ ኢትዮጲያ ክልተ መንእሰያት ጥራይ እዮም ኣብቲ ዝርዝር ኣትዮም ዘለው። \"ትሕቲ 30 ዓመት ዘለው 10 ምሩጻት ተመራመርቲ ጠፈር ዝብል ሽልማት፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንዘለው ፈጠራዊ ስራሕ ንዝሰርሑ ምሩጻት 10 መሃንድሳት፣ ተመራመርቲ ወይ ድማ ኣብ ዓውዲ ስነጠፈር ዝተፈልየ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣፍልጦ ንምሃብ ዝወሃብ ሽልማት እዩ።\" \"በየናይ መምዘኒ ከም ዝተቐበሉኒ'ኳ እንተዘይፈልጥኩ፡ ኣብ ኤሮነቲካል ኢንጂነሪን ዝሰርሖም ዘለኹ ዝተፈላለዩ ስራሓት ኣቕሪበ እየ ተመሪጸ፡\" ትብል። ቤተልሄም ኣብ ዝርዝር ብሉጻት ምእታዋ፡ \"ዝዓበየ ረብሓኡ፡ ኣብ ኣተሓሳስባ ሰባት ዘምጽኦ ለውጢ እዩ፡\" ብምባል ትገልጽ። ወሲኻ፡ \"ምምራጸይ ንዓይ ዓቢይ ነገር እዩ። ኣብ መጻኢ ብዙሓት ዕድላት ንክኽፈቱለይ ሓጋዚ እዩ። ካባይ ንላዕሊ ግን ንኻልኦት ዘተባብዕ ክኸውን ይኽእል እዩ፡\" ትብል። ብዘይካ'ዚ ቤተልሄም ትሳተፈሉ ዓውዲ፡ \"ኢትዮ ስፐይስ ኪድስ ክለብ\" ዝብል እዩ። እዚ ክለብ ስነፍልጠትን ቴክኖሎጅን ጠፈር ኢትዮጲያ፡ ድሌትን ተውህቦን ዘለዎም ቈልዑ ንምምልማልን ንምትብባዕን ዓቕሞም ክብ ንምባልን ዓሊሙ ዝቘመ ትካል እዩ። ብ 'ስፐይስ ሳይንስ ሶሳይቲ ኢትዮጲያ' ዝተመርጹ ሽዱሽተ ህጻናት ሒዙ እዩ ጀሚሩ። ካልኦት ንኽቕበል'ውን ምድላዋቱ ወዲኡ'ሎ። ቢቢሲ፦ ዕድላትን ብድሆታትን ስፐይስ ሳይንስ ኢትዮጲያ እንታይ እዮም ትብሊ? ቤተልሄም፦ ብናተይ ኣረኣእያ፡ ስፐይስ ሳይንስ ኢትዮጲያ ብዙሓት ተስፋታት ኣለውዎ፣ ማዕረኡ ድማ ብዙሓት ብድሆታት። ኢንስቲትዩት ስፐይስ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ምጅማሩ ንባዕሉ ሓደ ዓቢይ ተስፋ እዩ፣ ኣብ ሃገርና ይኹን ኣብ ወጻኢ ንዘለው ሞያውያን ክስሕብ ጀሚሩ'ሎ። ንዓና'ውን ይረኽቡና እዮም። ድሕሪ ሕጂ ስነፍልጠት ጠፈር ካባና ዝርሓቐ ዓውዲ ኣይክኸውንን እዩ። እዚ ሕልሚ ዘይኰነስ ብግብሪ ዝኸውን ዘሎ ስለዝዀነ፡ ዝመጽእ ወለዶ ነዚ ንምቕጻሉ ብዙሕ ኣይክጽግሞን እዩ። ሕጂ ዝፍጠር ዘሎ ዕድላት ንመጻኢ ባይታ ዘንጽፍ እዩ። ኣብዚ ግን ቀንዲ ብድሆ ኰይኑ ዝረኣየኒ፡ ኵሎም እቶም እንጥቀመሎም ኤሌክትሮኒካዊ ኣቝሑ ካብ ወጻኢ እዮም ዝመጽኡ። ልዕል'ቲ ንዕድጊ ዝወጽእ ገንዘብ ዝወስዶ ግዜ'ውን ቀሊል ኣይኰነን። ብሰንኩ ገለ ፕሮጀክትታት ኣብቲ ዝተመደበሎም ግዜ ንኸይውድኡ ዕንቅፋት ይኸውን። ነዞም ዕንቅፋታት ከም ዕድል ንዝቘጽሮም ሰብ ይዅን ብሕታዊ ጽላት ግን፡ ነዞም ኣቕሑ ምቕራብ ከም ዕድል ክረብሓሉ ይኽእል እዩ ኢለ እሓስብ። ተስፋን ብድሆታት እናሃለውና ነቶም ብድሆታት ናብ ዕድል እናቐየርና ክንቅጽል ኣለና ኢለ እየ ዝኣምን።\" ክሳዕ ሕጂ፡ ጠፈር ክትበጽሕ ዕድል ዘይረኸበት ቤተልሄም፡ ነቲ ዕድል ክትረክብ ከም እትምነን፡ ካብኡ ነቒላ ገለ ነገር ከበርክት ከም እትሕልንን ትዛረብ። ኣብዚ ሞያ ካብ ዘለው ሰባት ኤለን መስክ ኣርኣያኣ ምዃኑ ትገልጽ። \"ኤለን፡ ኣይከኣለን እዩ ዝተባህለ ከም ዝከኣል ብግብሪ ዘርኣየ ሰብ እዩ፡\" ኢላ ትገልጾ። \"ንኣብነት፡ መካይን ኤሌክትሪክ ግብራዊ ክኸውን ዝሕሰብ ኣይነበረን። ሕጂ ግን ነዳዲ ዘህልኻ መካይን ብናይ ኤሌክትሪክ መካይን እናተተክኣ ካብ ዕዳጋ ከም ዝወጽኣ ይገብር ኣሎ። ብተወሳኺ ስነፍልጠት ጠፈር ብብዙሕ መዳያቱ ብመንግስታት እዩ ዝካየድ። ንሱ ግን ብደረጃ ውልቀሰብ ኣብቲ ዓውዲ ኣትዩ ምስ ናሳ ይወዳደር ኣሎ። ኣብ ገለ ሸነኻት'ውን ካብ ናሳ ጸብለል ዝብለሉ ነገራት ኣሎ። ስለዚ ንኣይ ኤለን መስክ ፍሉይ ሰብ እዩ፡\" ትብል። ቤተልሄም ብዙሕ ውረድ ደይብ ሓሊፋ ኣብዚ ደረጃ በጺሓ'ላ፣ ንመጻኢ ኸ? \"ኣብ መጻኢ ኢንተርፕረነር [ፈጣሪት ስራሕ] ቴክኖሎጂ ክኸውን እየ ዝደሊ። ሓሳበይ ንሱ ጥራይ እዩ። ኣብዚ ዓዲ ዝተፈላለዩ ቴክኖሎጂ ምዕባይን ኣቝሑ እናምጻእካ ኣብ ዕዳጋ ምቕራብ ክጀማምር እሓስብ ኣለኹ። ናተይ ፈጥራዊ ስርሓት'ውን ክሰርሕ እሓስብ፡\" ብምባል ትምልስ። ቤተልሄም ክሳብ ሕጂ ብእተጓዕዘቶ ሕጕስቲ እያ። ቤተሰባ'ውን ሕጕሳት እዮም። ይሕግዝዋን፡ ምርጫኣ ኣኽቢሮም ኣብ ጐድና ደው እዮም ዝብሉ። \"በዚ ኸኣ ሕጕስቲ እየ\" ትብል። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቻይና ክትምረቕ እንከላ ብልዑል ነጥቢ ስለዝዛዘመት፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ትምህርታ ንኽትቅጽል ዕድል ሂቡዋ ነይሩ። ንሳ ግን፡ \"ኣብ ሃገረይ ተመሊሰ ክሰርሕ ይሓስብ ስለዝነበርኩ ናብ ዓደይ ክምለስ ወሲነ፡\" ብምባል ተብርህ። እንተዀነ ትምህርታ ንምቕጻል መደብ ኣለዋ። ኣብ መጻኢ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዓቢይ ቴክኖሎጅያዊ መፍትሒታት ዝቕርብ ትካል ብምምስራት ንኣፍሪቃውያን መንእሰያት ዕድል ስራሕ እትፈጥር ክትከውን ከም እትደሊ ትገልጽ።","category":"ጠፈራዊ ዳህሳስ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60678451"} {"headline":"ቻይና፡ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኾነት ናይ ቻይና ሮኬት ኣብ ቀዳመ ሰንበት ኣብ መሬት ክትዓልብ’ያ፤ መዕለቢኣ ግን ኣይተፈለጠን","content":"ስብርባር ናይታ ቻይና ዝወንጨፈታ 5ቢ ዝተሰመየ ሮኬት ቀዳመ ሰንበት ኣብ ክግመት ዘይተኸኣለ ቦታታት ናይ ዓለምና ክዓልብ እዩ ተባሂሉ። ክሳብ ሕጂ ተኻየዱ ብዘሎ መጽናዕቲ ስብርባር ናይቲ ሮኬት ኣበየናይ ክፋል ናይ ዓለምና ክዓለብ ከምዝኽእል ኣይተገመተን ዘሎ። እታ ቻይና ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ መንኮርኮር ህዋ ጸዒና ዝሰደደታ ሮኪት፡ ስርሒታ ዛዚማ ካብ ጠፈር ናብ መሬት ንምእታው ኣብ ምኹላል እያ ዘላ። ኣመሪካ፡ ብሓሙስ ኣብ ዘውጽአቶ መግልጺ፡ እታ ሮኬት ኣበይ ክትዓለብ ከምእትክል ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣል፡ ኣብ ህዋ እንከላ ሃሪማ ናይ ምብታን መደብ ከምዘይብላ ግን ገሊጻ። ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ልሎይድ ኦውስቲን “ኣብ ዝኾነ ነገር ዕንወት ከየውረደት ኣብ መሬት ክትዓልብ ተስፋ ንገብር፡ ኣብ ውቅያኖስ ወይ ኣብ ካልእ ሰብ ዘይነብሮ ትዓልብ ትኸውን” ኢሉ። ናብ ቻይና ነቁፌታ ዝደርበየ ልሎይድ ኦውስቲን ብምስዓብ “ከምዚ ዓይነት ስርሒት ክካየድ ክሕሰብ እንከሎ ድሒሩ እንታይ ክመጽእ ይኽእል ኣቐዲምካ ክሕሰበሉ ግድን’ዩ” ክብል ተዛሪቡ። ብመንግስቲ ቻይና እትውነን ማዕከን ዜና፡ እታ ሮኬት ኣብ ሰብ ዝነብሮ ከባቢ ክትዓልብ ትኽእል እያ ንዝብል ፍርሒ ብምንእኣስ፡ ኣብ ማያዊ ኣካል ዓለምና ከትዓልብ ምዃና እያ ክትገልጽ ቀንያ። እታ ሮኪት ኣብ ዝርሓቐ ክፋል ዓንኬል ጠፈር ኮይና ኣብ ዙርያ መሬት እያ ትሕንበብ ዘላ፡ ቀስ እናበለት ግን ናብቲ ልዑል ስሕበት ዘለዎ ክፋል ጠፈር መሬት ክትኣቱ እያ። ካብ መሬት 60 ኪሎሜተር ራሕቒ ኣብ ዘለዎ ምስ ብጽሐት ዝበዝሐ ክፋላ ክቃጸል ከምዝኽእል እዩ ዝግመት፡ እቲ ዘይነደደ ኣካላ ግን ናብ መሬት ክዓልብ እዩ። ምዕላብ ናይታ ሮኬት ምቁጽጻር እንዘይተገይርሉ ግን ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይና ኣብ ዝኾነ ክፋል ዓለምና ክትዓልብ ከምእትክእል ኣመሪካ ተጠንቅቕ። ኣብ መጋቢት 2020 ቻይና ዝወንጨፈታ ተመሳሳሊት ሮኬት፡ ናብ ህዋ ናይ ዓለም ምስ ኣተወት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ስለዝኾነት ኣብ ገጠራት ናይ ኣይቮሪኮስት ምዕላባ ይዝከር። ትካል ምቁጽጻር ህዋ ቻይና፡ እታ ሮኬት ይቆጻጸራ ድዩ ዘሎ ዋላስ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ኮይና ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ ርእይቶ የለን። ናብ ህዋ ዝውንጨፋ ሮኬታት ናብ መሬት ኣብ ዝምለሳሉ፡ ምቁጽጻር እናተገበረለን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ካብ መሬት ኣዝዩ ዝርሓቐ ቦታታት ናይ ደቡብ ሰለማዊ ውቅያኖስ ኣብ ሞንጎ ኣውስትራልያን ደቡብ ኣመሪካን ከምዝዓልባ እዩ ዝግበር። ኣብቲ ቦታ ብውሕዱ 1500 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዝኸውን ንመዕለቢ ሮኬታት ተባሂሉ ዝተሓዘኣ ማያዊ ኣካል ኣሎ።","category":"ጠፈራዊ ዳህሳስ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57020215"} {"headline":"ኣብ ጠፈር ንመጀመርታ ግዜ ምሉእ ፊልም ዝሰኣለት ሩስያዊት ጉጅለ","content":"ትማሊ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ሓደ ሩስያዊ ጕጅለ ፊልም፡ ተዋሳኢት ዩልያ ፐርሲልድ፡ ኣላዪ ፊልም (ዳይረክተር) ክላሲም ሺፈንኮን ኖቭትስኪይን ኣብ ህዋ ናይ መጀመርታ ፊልም ስኢሎም ብደሓነ ሰላም ብሓባር ናብ ዓዶም ተመሊሶም። እቶም ሞያውያን ነቲ ፊልም ክስእሉ ን12 መዓልታት ኣብ ህዋ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ ኣህጉራዊ መደበር ጠፈር ተበጊሶም ትማሊ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ካዛኪስታን ዓሊቦም። ሓላፊ ትካል ሮዝኮስሞስ ዲሚትሪ ሮጎዚን፡ ነቶም ካብቲ ቆፎ ፓራሹት ዝወጹ ጉጅለ ፊልም ጠፈርተኛታት ብኣድናቖት ተቐቢሉዎም። ብዙሓት ሰኣልትን ጋዜጠኛታት ከምኡ'ውን ኣካል ናይቲ ፊልም ዝኾኑ ሰኣልቲ ፊልም እቲ ፓራሹት ኣብ ምድሪ ክዓልብ እንከሎ ብፊልም ቐዲሖምዎ። እቶም ገያሾ ጠፈር ኣብ ካዛኪስታን ምስ ዓለቡን ኣፈናዊ ሕክምናዊ መርመራ ምስተገብረሎምን ፈለማ ብሄሊኮፕተር ናብ ከተማ ካራጋንዳ ካዛኪስታን ብድሕሪኡ ብነፋሪት ን10 መዓልቲ ከዕርፉሉን ክሕደሱሉ ናብ ዝኽእሉ ቦታ ግዒዞም። እቶም ገያሾ ናብ ምድሪ ቅድሚ ምምላሶም፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብታ መንኮርኮር ብርቱዕ ኖትጒ ኣጋጢሙ። እንተኾነ እቶም ሰራሕተኛታት ጠፈር ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ሰዓት ተቖጻጺሮሞ። እቲ ኣብታ መንኮርኮር እተገጥመ ኩለንትናዊ መቆጻጸሪ ከኣ ስለምንታይ ከምኡ ከምዘጋጠመ ስለዝስንዶ ነቲ ጠንቂ ንምርዳእ ብሓባር ይሰርሑ ከምዘለው ሓቢሮም። እቲ መደበር ጠፈር፡ ኣብ ሓምለ'ውን ተመሳሳሳሊ ነገር ኣጋጢምዎ ነይሩ። \"እቶም ገያሾ (ቐረጽቲ ፊልምን ተዋሳኢትን) ንቑሓት ስለዝነበሩ ግን ዝዀነ ይኹን ሓደጋ ኣየጋጠሞምን\" እቶም ብ5 ጥቅምቲ ናብ ጠፈር ዝተጓዕዙ ሩስያውያን ናይ ፊልም ኪኢላታት ኣብ 12 መዓልታት ምስታ ካብ ምድሪ ናብ ህዋ እተተኰሰት መንኮርኮር በሪሮም ነታ \"ቻለንጅ (ብደሆ)\" ዘርእስታ ፊልም ብቪድዮ ቀሪጾም ብሰላም ናብ መሬት ተመሊሶም። ብዛዕባ እታ ብደሆ እተሰምየት ፊልም ብዙሕ ዝተነግረ ዝርዝር እኳ እንተዘየሎ እቲ ኣብ ኣይ.ኤስ ኤስ ( ኣብ ጠፈር) እተሳእለ ክፋል ግን፡ ንሓደ ኣብ ምድሪ ክፍወስ ዘይክእል ሕሙም ኣብ ህዋ ምሕካም እዩ። እታ ፊልም ካብ ሓላፊ ትካል ጠፈር ሮስኮስሞስ ዝመንጨወት እያ። ሓደ እዋን እቲ ሓላፊ ነቲ ዕዮ ብሓላፍነት ምስ ዝመርሑዎ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ስለዘይተሰማምዐ ካብ ስርሖም ሰጒጉዎም። ኣብታ ናይ ጠፈር ተልእኾ ዝነበረ ሰርጌ ኪርካለቭ፡ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት እቲ ምስጓግ ናብ ስርሑ እኳ እንተተመልሰ በቲ ዘጋጠመ ነገር ግን ኣዝዩ እዩ ተቖጢዑ ነይሩ። እታ ፊልም ኣብ መንጎ'ቲ ኣብ ሩስያ ዝመደበሩ ትካል ሮስኮስሞስን ናይ መራኸቢ ብዙሃን ትካላት ቻነል ሓደን \"የለው ስቱድዮ\"ን፡ ብዝተገብረ ንግዳዊ ስምምዕ እያ ትስራሕ ዘላ። ኣብ ህዋ ሓጸርቲ ፊልምታት ይቕረጽ እኳ እንተነበረ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ሩስያ ጥራሕ እያ ሓደ ነዊሕ ዛንታ ፊልም ኣብ ጠፈር ሰሪሓ ዘላ። እቶም ኣብ ሩስያ ፍሉጣት ዝዀኑ ፐርሲልድን ሺፈንኮን፡ ኣብ ሕዳር (2020) ብሮስኮስሞስ ዝብሃል ትካል ኣብ ጠፈር ፊልም ንምስኣል ብሃገር ደረጃ ውድድር ምስ ተኸፍተ እዮም ተመሪጾም። ፐርሲልድ ኣብ ሓያሎ ናይ ሩስያ ፊልምታትን ናይ ቲቪ ተኸታታሊት ፊልምታትን ትዋሳእ እያ። እዞም ክልተ ሲቪል እታ ተዋሳኢትን እቲ ዳይረክተርን ቅድሚ ናብ ጠፈር ምብራሮም ኣብ ምድሪ ጽዑቕ ልምምድን ናይ ፓራሹት ስልጠናን ወሲዶም እዮም። እታ ፊልም \"ሓደ ክፋል ናይ ሓደ ሰፊሕ ስነ-ፍልጠታውን ትምህርታውን ፕሮጀክት ኮይና ብዛዕባ ናይ ሮኬትን ናይ ጠፈር ኢንዱስትሪን ከምኡ እውን ብዛዕባ ምፍራይ ናይ ጠፈር መንኮርኮርን ኣብ ናይ መሬት ትሕተ-ቅርጺታት ዘጠቓለለ ተኸታታሊ ሰነድ ክትከውን እያ። ብመሰረት ትካል ጠፈር ሮስኮስሞስ፡ ኣብ መጻኢ በረራ ጠፈር ንሰብ ሞያ ጥራይ ዘይኰነስ ንኹሎም ተገዳስነት ዘሕደሩ ሰባት ክፉት ክኸውን ከምዝኽእል ትእምት እያ።","category":"ጠፈራዊ ዳህሳስ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58951176"} {"headline":"ጓል ፈለማይ ኣመሪካዊ ተመራማራይ ህዋ ናብ ጠፈር ተጓዒዛ","content":"ጓል እቲ ፈላማይ ኣመሪካዊ ተመራማራይ ጠፈር ፡ ኣላን ሺፐርድ፡ ኣቡኣ ናብ ጠፈር ካብ ዝጓዓዝ ድሕሪ 60 ዓመታት ናብ ጠፈር ከምበጽሐት ተገሊጹ። ጓል 74 ሎራ ሺፈርድ ቸርችለይ ናብ ጠፈር ትጓዓዝ ዘላ ብ ‘ቡሉ ኦሪጅን’ ብዝብል ዝፍለጥ ኩባንያ ዝካየድ ንግዳዊ በረራ ኾይኑ፡ ንሳ ካብቶም ሽድሽተ ተጓዓዝቲ ሓንቲ እያ። እቶም ተጓዓዝቲ ቅድሚ በረራ ምጀማሮም፡ ኣብ ክሊ ዜሮ ስሕበት ክጸንሑ ብምግባር ቀዲሞም ክፍትንዎ ተገይሩ ተባሂሉ። እቲ በረራ፡ ኣብ ዓመተ 2021 ንሳልሳይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ኾይኑ፡ ኩባንያ ብሉ ኦሪጅን ኣብ ህዋ ዕዳጋ ቱሪዝም ክስፋፋሕ ዝጽዕር ዘሎ ትካል እዩ። ኣቦኣ ንወይዘሮ ሺፐርድ ቸርችሊይ ኣብ 1998 ዝሞተ ኮይኑ፡ በቲ ሜርኩሪ ብዝብል ዝፍለጥ በረራ ኣብ 5 ግንቦት 1961 እዩ ናብ ህዋ ዝተጉዓዝ ፈላማይ ኣመሪካዊ ኾይኑ። ፍሉጥ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግርን ኣንባቢ ዜና ‘ጉድ ሞርኒን ኣመሪካ’ን ሚካኤል ስራሃን ድማ ካብቶም ትማሊ ብቐዳም ናብ ህዋ ዝተጓዓዙ ሓደ እዩ። ብሉ ኦሪጅን ንፈለማ እዋን እዩ ሽደሽተ ሰባት ሒዙ ክጓዓዝ፡ እቲ በረራ ድማ በታ ጓል ተመራማራይ ጠፈር ‘ኒው ሺፐርድ ሮኬት’ ዝብል ስያመ ተዋሂብዎ። እቲ ጉዕዞ ንክልተ መዓልታት ብሰንኪ ከቢድ ንፋስ ምሰተደናጎየ፡ ትማሊ ቀዳም እታ ሮኬት ካብ ቫን ሆርን ተባሂሉ ዝፍለጥ ከባቢ ገጠር ግዝኣት ቴክሳስ፡ ተወንጪፋ። እቲ በረራ ቅድሚ ሕዚ ብዝገበርዎ ተመሳሳሊ መስመር እዩ ተኻይዱ ተባሂሉ። እቲ ጉዕዞ 10 ደቒቃ ዝወሰደን 62 ማይል ዝረሓቐን እንትኸውን [100 ኪሎሜትሮ] ካብቲ ፈላማይ በረራ ኣላን ሺፐርድ ብሓሙሽተ ደቒቓን ብርሕቐት ድማ ብ116 ማይለስ ዝሓጸረ ከምዝኾነ ተገሊጹ። ወይዘሮ ሺፐርድ ቸርችሊይ፡ “ኣቦይ ዝወርድ ዘሎ መሲሉ እዩ ተሰሚዑኒ። እቲ ሐዚ ኣነ ዝረኽቦ ዘለኹ ሓጎስ ከይረኸበ ዝኸደ መሲሉ ድማ ይስመዐኒ” ኢላ። “ንሱ ኣብ ሰራሕ እዩ ነይሩ፤ ባዕሉ እዩ ድማ በሪሩ ኸይዱ፤ ኣነ ግና ንክህደስ እየ ተሳፊረ ኸይደዮ”።","category":"ጠፈራዊ ዳህሳስ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59626570"} {"headline":"ስነ-ጠፈር፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ካልእ ፕላነት ዝበረረት ሄሊኮፕተር ትካል ጠፈር ኣመሪካ","content":"ትካል ጠፈር ኣመሪካ (ናሳ)፡ ሓንቲ ንኡሽቶ ሄሊኮፕተር ኣብ ፕላነት ማርስ ንፈለማ እዋን ብዓወት ኣብሪሩ። እታ 'ኢንጂኒውቲ' (ብልሓት) ዝተሰምየት ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት፡ ካብ ምድሪ ናይታ ፕላነት ተላዒላ ንትሕቲ ሓደ ደቒቕ ጥራይ'ኳ እንተበረረት፡ ናሳ ግን፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ካልእ ፕላነት ዝተፈተነ በረራ ብምዃኑ ሓጎሱ ወሰን የብሉን። እቲ በረራ ዕውት ከምዝነበረ ዝገልጽ ሓበሬታ ብመንገዲ ኣብ ጠፈር እትርከብ ካልእ ሳተላይት ናብ ምድሪ ከምበጽሐ ተፈሊጡ። ኣብ ዝመጽእ መዓልታት፡ ተራእዩ ዘይፈልጥ በረራታት ከምዘካይድ እቲ ትካል ቃል ኣትዩ'ሎ። ንብቕዓት ናይቲ ዝተጠቕመሉ ቴክኖሎጂ ንምፍላጥ፡ ኢንጂኒውቲ፡ ካብዚ ናይ ሕጂ ዝበረኸን ዝረሓቐን በረራታት ከተካይድ ትጽቢት ይግበረላ። \"ሎሚ፡ ሰባት ኣብ ካልእ ፕላነት ነፋሪት ክብርሩ ኪኢሎም ኣለዉ ክንብል ንኽእል ኢና\" ትብል ብሓጎስ ዝተፈንጨሐት ኣብቲ ኣብ ፓሰዲና ዝርከብ ጀት ፕሮፓልሽን ላቦራቶሪ፡ ኣካያዲት ፕሮጀክት ኢንጂኒውቲ ዝኾነት ሚሚ ኣንግ። \"ንነዊሕ እዋን፡ ልክዕ ከምቲ ናይ ደቂ-ራይት ኣብ ማርስ ከነበስር ኢና ሃንቀው ንብል ነይርና፡ እነሆ ድማ ኮይኑ\" ክትብል ብሓበን ገሊጻ። ኣብ 1903 ዊልበር ሪይትን ኦሊቨር ራይትን ዝተባህሉ ክልተ ኣሕዋት፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ዓለም ነፋሪት ዘብረሩ ምዃኖም ይፍለጥ። እታ ኣብ ሰማያት ማርስ ሓጺር በረራ ዘካየደት ኢንጂኒውቲ'ውን፡ ንዝኽሪ ናይ ደቂ-ራይት ዘካየድዎ ታሪኻዊ ምህዞ፡ ኣብ ሓደ ክንፊ ናይታ ቅድሚ ሓደ ሚእቲ ዓመት ዘብረርዋ ዝተጠቕምሉ ጨርቂ ሒዛ'ያ ፈላሚ ናይ ፈተነ በረራ ፈጺማ ዘላ። እታ 'ማርስ-ኮፕተር' ንኣስታት 3 ሜትሮ ንላዕሊ ብምድያብ፡ ንሓደ ደቒቕ ዘይመልእ በረራ ኣካይዳ'ያ ዓሊባ። ኣብ ሰማያት ናይታ ቀያሕ ፕላነት በረራ ምክያድ ቀሊል ኣይኮነን። ጠፈራ ኣዝዩ ቀጢን ኮይኑ፡ 1% ጻዕቂ (ደንሲቲ) ናይ ምድሪ'ዩ። እዚ ማለት እቲ ዝዘውር 'ሮተር' ናይታ ሄሊኮፕተር፡ ብዝግባእ ነኺሱ ክትንሳፈፍ ዘሎ ተኽእሎ ይጸብብ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ፡ ኢንጂኒውቲ ኣዝያ ፈኳስ ከምእትኸውን ተገይራ'ያ ተሰሪሓ። እቶም ዘለዉዋ ሮተራት ድማ ብፍጥነት ከምዝሕበቡ'ዮም ተሰሪሖም- ኣብ ሓደ ደቒቕ 2500 ዑደት የካይዱ። ኢንጂኒውቲ፡ ኣብታ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ገጽ ማርስ ዝዓለበት 'ፕርሲቪራንስ' (ሓቦ) ዝተባህለት መንኮርኮር ናሳ ተሓዚላ'ያ ናብታ ቀያሕ ፕላነት ተላኢኻ። እታ መንኮርኮር፡ ካብቲ ዝዓለበትሉ ናይ ኣስታት 20 ሜትሮ ርሒቑ ናብ ዝርከብ \"መዓርፎ ነፈርቲ\" ብምዃድ፡ ንኢንጂውቲ ኣብ ሓደ 'ጀዜሮ ክሬተር' ዝተባህለ ዓᎁቕ ቦታ ኣውሪዳታ። ብድሕሪኡ፡ ናይ ክልቲአን ናይ 'ሰልፊ' ስእሊ ወሲዳ። ድሕሪ'ዚ ዕዉት ፈተነ፡ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ኣርባዕተ በረራታት ከምእተካይድን፡ ነፍሲወክፍ በረራ እናለዓለን እናረሓቐን ከምዝኸይድ ተፈሊጡ። እቲ ፈተነ፡ ነቲ ካብ ምድሪ ወጻኢ ዘሎ ዓለም ኣብ ምድህሳስ ዓቢ ኣበርክቶ ክህልዎ ተስፋ ይግበር። ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን)፡ መንኮርኮራት ጠፈር ቅድሚ ምውንጫፈን ኣፈናዊ ዳህሳስ ኣብ ምክያድ ክሕግዛ ይኽእላ'የን። ናሳ፡ ድሮ ናብ ታይታን ዝተባህለት ወርሒ ፕላነት ሳተርን፡ ሓንቲ ሰብ-ኣልቦ ሄሊኮፕተር ክሰድድ ወሲኑ'ሎ። እታ 'ድራጎንፍላይ' ዝብል ስም ተጠሚቓ ዘላ በራሪት፡ ኣብ መፋርቕ 2030ታት ኣብታ ኣብ ርሑቕ ኣድማስ እትርከብ ወርሒ ክትበጽሕ ትጽቢት ይግበረላ።","category":"ጠፈራዊ ዳህሳስ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56804388"} {"headline":"ድሕሪ 50 ዓመት ናብ ወርሒ ክትውንጨፍ ዝተዳለወት መንኮርኮር ተዓናቒፋ","content":"ናሳ፡ ወርሒ ንምድህሳስ ዘዳለዋ ዓባይ ሮኬት ሰኑይ ክትወንጨፍ ደቓይቕ ምስተረፋ ብሰንኪ ዘጋጠማ ጸገማት ክትደናጔ ተገዲዳ። እዛ መንኮርኮር፡ ናሳ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝሰርሐን መንኮርኮራት እታ ዝሓየለት ኰይና፡ ድሕሪ 50 ዓመታት ተመራመርቲ ንመጀመርታ ግዜ ናብ ወርሒ ክበጽሑ ከተኽእሎም እያ። እታ ሮኬት ካብ ማእከል መደበር ጠፈር ከኔዲ ልክዕ ብኣቆጻጽራ ሰዓት እቲ ኸባቢ፡ ሰኑይ ሰዓት 8፡33 [03፡33 ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት ቀርኒ ኣፍሪቃ] ክትብገስ'ዩ መደብ ወጺኡላ ነይሩ። እዛ መንኮርኮር፡ ቀንዲ ዕማማ ካብ መሬት ኣዝዩ ርሑቕ ኣብ ዝዀነ ቦታ ኦርዮን ዝተበሃለ ኣዝዩ ግዙፍ ድሩዕ ሎቆታ ክትስንዱ’ዩ። ኣብ ከባቢ ወርሒ ስፍሕ ኣብ ዝበለ ዓንኬል ዑደት ድሕሪ ምክያድ ከኣ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ሳምንታት ኣብ ሰለማዊ ውቅያኖስ ክትዓልብ’ያ። እታ መንኮርኮር ኣብዚ እዋን ነቲ ኦርዮን ብዘይሰብ እያ ሰንድያቶ ክትመጽእ፤ ኣብ 2024 ጀሚሮም ግን ተመራመርቲ ብተደጋጋሚ ናብ ኦርዮን እናኸዱ ምርምራቶም ከካይዱ’ዮም። እዚ ስርሒት፡ \"ኣርተሚስ 1\" ዝብል ሽም'ዩ ተዋሂብዎ ዘሎ። ኣብ ናሳ ጠፈርተኛ ዝዀነ ራንዲ ብረስኒክ፡ “እዚ ሕጂ ብኣርተሚስ 1 ንገብሮ ዘለና በረራ፡ ነቲ ኣብ ዝመጽእ እዋን ብኣርተሚስ 2 ዝግበር ተኽእሎታት ጕዕዞ ጠፈርተኛታት ንምፍታሽ’ዩ፡” ኢሉ። ኣብቲ እቲ መደበር ጠፈር ተደኵንሉ ዝርከብ ፍሎሪዳ ኣዝዩ ተቐያያሪ ኵነታተት ኣየር ብምህላዉ፡ ንምብጋስ ናይታ መንኮርኮር ጽልዋ ከይፈጥር ስክፍታታት ኣሎ። ንግሆ ኵነታታት ኣየር እቲ ከባቢ ህድእ ስለዝብል’ዩ እታ መንኮርኮር ኣብ ሰዓታት ንግሆ ክትበርር ተመሪጹ። ክኢላ ኵነታት ኣየር ሜሎዲ ሎቪን “ብመሰረቱ ድሕሪ ሰዓት 8፡30 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ኵነታት ኣየር ከምቲ ንደልዮ ክዀነልና ልዕሊ 80 ሚእታዎት ዕድል ኣሎ” ኢላ። ሰዓታት ምብጋስ ብኽልተ ሰዓታት እንተደንጕዩ ግን፡ እዚ ዕድል ናብ 60 ሚእታዊት ክጐድል'ዩ ክትብል እታ ክኢላ ገሊጻ። ኣብ 1969 ኒል ኣርምስትሮንግን ቡዝ ኣልዲርን ኣብ ታሪኽ ዓለም እቶም ንመጀመርታ ግዜ እግሮም ኣብ ወርሒ ዘንበሩ ጠፈርተኛታት ብምዃን ኣብ ዓለም ሓድሽ ታሪኽ ኣንቢሮም። እቶም ብኣፖሎ ዝተበሃለት መንኮርኮር ዝተጓዓዙ ጠፈርተኛታት ብዛዕባ ዓለም ዘለና ኣመለኻኽታ ከምዝቕየር ክገብሩ ክኢሎም እዮም። ሕጂ ኸኣ ድሕሪ ልዕሊ 50 ዓመታት ሰብ ዳግማይ ኣብ ወርሒ እግሩ ከንብር ይመጣጠር ኣሎ። ነቶም ኣፖሎ ኣብ ወርሒ ክትዓልብ እንከላ ብቐጥታ ኣብ መሳዅቲ ተለቪዥን ከርእዩ ዘይክኣሉ ወለዶታት ከኣ፡ እዚ ናይ ሕጂ ተበግሶ ሓድሽ ተመኵሮ ኰይኑ ኣብ ሓንጎሎም ክስነድ ከምዝኽእል ብዙሓት ትጽቢት ኣሕዲሮም ከምዘለዉ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ረቤካ ሞረለ ትገልጽ። እዚ ሕጂ ናሳ ዝገብሮ ዘሎ ጕዕዞ ግን ካብቲ ናይ 1969 ዝተፈለየ’ዩ። ናሳ ቀዳመይቲ ጓል ኣንስተይትን ጻዕዳ ዘይኰነ ተመራማርን ኣብ ወርሒ ንምዕላብ’ዩ ካልእ ተወሳኺ ታሪኽ ከስፍር ወጢኑ ዘሎ። ብዘይካ'ዚ ናሳ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ’ውን ናብ ማርስ ሰብ ክልእኽ ምዃኑ ኣተንቢሁ ኣሎ። መንኮርኮር ኣርተሚስ ኣብ እትብገሰሉ እዋን፡ ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት ብኣካል ኣብቲ ከባቢ ቀሪቦም ክርእይዋ ተገሚቱ ኣሎ። እታ መንኮርኮር ኣብ ትብገሰሉ ክሳብ 39.1 ሜጋ ኒውተን ዝኸውን ሓይሊ እያ ክትጥቀም፣ እዚ ኸኣ ካብቲ ኣፖሎ ዝነበራ ሓይሊ ብ15 ሚእታዊት ዝዛየደ እዩ። ብኻልእ ኣገባብ ንምግላጹ፡ ሞተረ ናይዛ መንኮርኮር ክንዲ 60 ኮንኮርድ ሱፐርሶኒክ ጀት፡ ክብግሳ እንከለዋ ዘለወን ሓይሊ ማለት እዩ። ምክትል ፕረዚደንት ክኢላታት ጃኮፕ ስፐይስ [ዝዓበየ ጕጅለ ተኾናታሪ ኬነዲ] ሎርና ኬና “እዛ ሮኬት ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝተራእያ መንኮርኮራት ዝዓበየት፡ ዝበርተዐ ድመጺ ዘለዋን ዝጸበቐትን’ያ” ኢላ። መሃንድሳት እቲ ኦርዮን ዝተሰምየ ግዙፍን ድሩዑን ሎቐታ ናብ መሬት ኣብ ዝምለሰሉ እዋን፡ ብርቱዕ ሙቐት ናይ ምጽዋር ዓቕሙ ክሳብ ክንደይ’ዩ? ክጸዋሮ ኸ ይኽእልንዶ? ኣብ ዝብል’ዮም ዝያዳ ኣተኵሮም ክሰርሑ ጸኒሖም። ኦርዮን ናብ መሬት ኣብ ዝምለሰሉ፡ 38 ሽሕ ኪሎሜተር ኣብ ሰዓት'ዩ ክሕንበብ፤ እዚ ኸኣ 32 ዕጽፊ ፍጥነት ድምጺ’ዩ ዝኸውን ዘሎ። ማናጀር ፕሮግራም ኦርዮን ዝዀነ ማይክ ሃቨስ፡ “እቲ ደጋዊ ክፋሉ ምሉእ ብምሉእ ብካርቦን ዝተሰርሐ’ዩ፣ እዚ ኸኣ ክሳብ 1600 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ሙቐት ክጻወር ይኽእል’ዩ” ኢሉ። ኣስዒቡ፡ “ሕጂ ግን ብዛዕባ 2200 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ኢና ንዛረብ ዘለና፣ ኣፖሎ ናብ ወርሒ ክትበርር እንከላ ኣቭኮት ዝተበሃለ ንዋት’ዮም ተጠቒሞም ነይሮም፣ ነዚ ምፍታን ከኣ ከም ቀንዲ ኣማራጺ’ዩ” ኢሉ። እዚ ሎሚ ዝካየድ በረራ ንናሳ ጥራይ ዘይኮነ ንስፐይስ ኤጀንሲ ኤውሮጳ’ውን ዓቢይ ነገር’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ኦርዮን ብኽኢላታት ስፐይስ ኤጀንሲ ኤውሮጳ’ዩ ተሰሪሑ። ካብዚ ብምብጋስ ስፐይስ ኤጀንሲ ኤውሮጳ’ውን ሓደ መዓልቲ ናብ ወርሒ ተመራመርቲ ክልእኽ ከምዝኽእል ዝእምት ተስፋ ኣሕዲሩሉ'ሎ። ኣርተሚስ 9 ዝተሰመየ መስርሕ’ውን ካብ ሕጂ ጀሚሩ’ዩ ውጥናት ወጺኡሉ ዘሎ። ሽዑኡ ግን ኣብ ወርሒ ንተመራመርቲ ሒዘን ዝንቀሳቐሳ መካይን ክህልዋ ከምዝኽእላ’ዩ ዝንገር ዘሎ። ብዓቢኡ ግን ኣርተሚስ ክንኖ ኣብ ወርሒ ምዕላብ፡ ተመራመርቲ ናብ ማርስ ንክኸዱ’ያ ባይታ ተጣጥሕ ዘላ። ኣመሓዳሪ ናሳ ቢል ኔልሰን፡ “እዚ ብመሰረት ብፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ዘውጽኦ መደብ እዩ ዝካየድ ዘሎ” ኢሉ። “ኵሎም መራሕቲ ነዚ መደብ ንኽዕወት ነናቶም እጃም ኣበርኪቶም’ዮም፣ መደብ ኣርተሚስ 9 ኸኣ ኣብ መወዳእታ 2030 ወይ ኣብ 2040 ክካየድ እዩ” ኢሉ።","category":"ጠፈራዊ ዳህሳስ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyx5lwrgj5eo"} {"headline":"ናሳ ናብ ወርሒ ንምውንጫፍ ዘዳለዋ መንኮርኮር ንካልኣይ ግዘ ተዓናቒፋ","content":"ናብ ወርሒ ክትውንጨፍ ዝተዳለወት ሓዳሽ መንኮርኮር ናሳ ኣርተሚስ 1፡ ንካልኣይ ግዘ ከም ዝተዓናቐፈት ተገሊፁ። ሰብሞያ ትማሊ ቀዳም ናይ ስፔስ መጀመሪ ሲስተም (ኤስ ኤል ኤስ) ንምልዓል ዝገበርዎ ዳግማይ ፈተነ ኣይሰመረሎምን። ላሕኲ ነዳዲ ጠንቂ እቲ ምስንኻል ከም ዝኾነ ድማ ተገሊፁ። ሕዚ እቶም መሃንዲሳት፡ ነታ ሮኬት ንምምርማር ዝተተለሙ ኰይኖም፡ ዝካየድ ዝኾነ ዓይነት ፅገና ኣብቲ መወንጨፊ ቦታ ዘይኮነስ፡ ኣብ ቤት-ዕዮ ክካየድ ከም ዝኽእል ተገሊፁ። እዚ ኩሉ ከይዲ፡ ንብዙሕ ሰሙናት ምድንጓይ ክፈጥር ከምዝኽእል ዘየጠራጥር ኮይኑ ኣሎ። እዚ ማለት ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ሳልሳይ ዙር ፈተነ ምውንጫፍ መንኮርኮር ከይንርኢ ንኽእል ኢና። ኤስ ኤል ኤስ፡ ብኤጀንሲ ህዋ ኣሜሪካ ካብ ሞንጎ ዝተሰርሑ እቲ ኣዝያ ሓያል ሮኬት ኮይና፡ ድሕሪ 50 ዓመታት ተመራመርቲ ናብ ወርሒ ንምብፃሕ ዝተሰርሐት እያ። እቲ ዝበዝሕ ኣዝዩ ገዚፍ ድፍኢት፡ ኣብ ታሕታዋይ ክፋል ኣብ ዘለዉ ኣርባዕተ ሞተራት ኣስታት 3 ሚልየን ሊትሮ ዝሑል ነዳዲ ብምቅፃል ዝመፅእ እዩ። ትማሊ ቀዳም እቶም ሰብሞያ፡ መኽዘን ሃይድሮጅን እታ መንኮርኮር ንምምላእ ኣብ ዝኣዘዝሉ፡ ደወል መጠንቀቕታ ላሕኵ ከምዝነበረ ኣመልኪቱ። ነዚ ስዒቡ ዝተገበረ ፍተሻ፡ እቲ ፀገም ሃይድሮጅን ናብ ተሽከርካሪ ኣብ ዘሕልፍ ቦታ ከምዝኾነ ተፈሊጡ። ተቖፃፀርቲ ነቲ ስራሕ ዳግማይ ንምጅማር፡ ዝተፈላለዩ ፅገናታት እንተፈተኑ’ውን ኣይሰመረሎምን። ተልእኾ ኣርተሚስ 1 ዋላ’ኳ እንተዘይተሳኽዐ፡ ስራሕ ኣካያዲ ማይክ ሳራፊን፡ መፃኢ ዕድል እታ መንኮርኮር ኣብ መገሻ ደቂ ሰባት ናብ ህዋ ፅልዋ ስለ ዝህልዎ፡ ኣብ ዝካየድ ስርሒት ልዑል ጥንቃቐ ከም ዘድልይ ገሊፁ። ሳራፊን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “እዚ ዘይእመን ከቢድ ስራሕ’ዩ። እዚ ናይዛ መንኮርኮር ፈላማይ ናይ በረራ ፈተነ እዩ። ከምቲ ዝበልናዮ፡ ምስ ተዳለውና ክነወንጭፍ ኢና። ኣብዚ ፈላማይ ፈተነ ብዛዕባ እዚ ተሽከርካሪ ክንመሃር ኢና። ከመይ ምጥቃም ከም ንኽእል ከኣ ንመሃር ኣለና” ኢሉ። ኣማሓዳሪ ናሳ ቢል ኒልሰን’ውን፡ “እዚ ኣካል ናይ ስፔስ መደብና ከም ዝኾነ እየ ዝርእዮ፡ ጉዳይ ድሕነት ድማ ቀዳምነት ዝወሃቦ’ዩ” ኢሉ። ሓጋዚ ምምሕዳር ናሳ ጂም ፍሪ ብወገኑ፡ “ ነቶም ባትርታት ንምምርማር ወይ ድማ ባትርታት ንምቕያር ናብ ድሕሪት ክንምለስ ኣለና” ኢሉ። ቀንዲ ዕማም እዛ 100 ሜትሮ ዝንውሓታ መንኮርኮር፡ ካብ መሬት ኣዝዩ ርሑቕ ኣብ ዝዀነ ቦታ ኦርዮን ዝተበሃለ ኣዝዩ ግዙፍ ድሩዕ ሎቆታ ክትስንዱ’ዩ። ኣብ ከባቢ ወርሒ ስፍሕ ኣብ ዝበለ ዓንኬል ዑደት ድሕሪ ምክያድ ከኣ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ሰሙናት ኣብ ሰለማዊ ውቅያኖስ ክትዓልብ’ያ። እታ መንኮርኮር ኣብዚ እዋን ነቲ ኦርዮን ብዘይ ሰብ እያ ሰንድያቶ ክትመፅእ፤ ኣብ 2024 ጀሚሮም ግና ተመራመርቲ ብተደጋጋሚ ናብ ኦርዮን እናኸዱ ምርምራቶም ከካይዱ’ዮም። እዚ ስርሒት፡ \"ኣርተሚስ 1\" ዝብል ሽም'ዩ ተዋሂብዎ ዘሎ። ናሳ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰኑይ እዩ ነዛ ሮኬት ከወንጭፍ ፈቲኑ ነይሩ። ተቖፃፀርቲ ኣርባዕቲኦም ዓበይቲ ሞተራት ኣብ ትኽክለኛ መጠን ሙቐት ሙኻኖም ከረጋግፁ ስለ ዘይከኣሉ እቲ ምውንጫፍ ተቛሪፁ። ተስፋ ብዘቕብፅ ኩነታት፡ እቲ ሓበሬታ ዘቐብል መሳርሒ እታ ሮኬት’ውን፡ ግጉይ ሓበሬታ ከም ዘመሓላልፍ ተፈሊጡ። እቲ ሓበሬታ ግጉይ ኮይኑ’ምበር እታ ሮኬት ንምውንጫፍ ተዳልያ እያ ነይራ።","category":"ጠፈራዊ ዳህሳስ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cq5095p5gpgo"} {"headline":"ኤሎን መስክ ዝወንጨፎ ሮኬት ምስ ወርሒ ምግጫው እንታይ ሳዕቤን ከምጽእ ይኽእል?","content":"ሓደ ካብ ሃብታማት ዓለምና ብዝኾነ ኤሎን መስክ ብዝውነን ትካል ምርምር ጠፈር ዝተወንጨፈ ሮኬት ምስ ወርሒ ክጋጮን ክትኮስን ምዃኑ ተፈሊጡ። እቲ ብፋልኮን 9 ዝፍለጥ ሮኬት ኣብ 2015 ዝተወንጨፈ ኮይኑ ተልእኾኡ እኳ እንተፈጸመ፤ ናብ መሬት መምለሲ እኹል ነዳዲ ስለዘይነበሮ ኣብ ህዋ ክንሳፍፍ እዩ ጸኒሑ። እቲ ክስተት ናይ ፈለማ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ምስ ወርሒ ዘጋጠመ ምግጫው ከምዝኸውን፡ ተመራማሪ ጠፈር ጆናታን ማክዶወል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ። እቲ ሳዕቤን ግና ቀሊል ከምዝኸውን ሓቢሩ። እቲ ሮኬት ናይ ኩነታት ኣየር ሳተላይት ሒዙ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ናብ ህዋ ዝተወንጨፈ ኮይኑ፤ ተልእኾኡ ምስ ፈጸመ ካብ ስራሕ ወጻኢ እዩ ኮይኑ ጸኒሑ። ብኤሎን መስክ ዝውነን 'ስፔስ ኤክስ'፡ ሰባት ካብ መሬት ወጻኢ ኣብ ካልኦት ፕላኔታት ንምስፋር ዕላማ ዘለዎ ንግዳዊ ትካል እዩ። ካብ 2015 ጀሚሩ እቲ ሮኬት ብሓይልታት ስሕበት ናይ መሬት፡ ወርሕን ጸሓይን ክሰሓብ ብምጽንሑ ምንቅስቓሳቱ ክግመት ዘይኽእል \"ዕግርግር ዝበዝሖ\" ኮይኑ ምጽንሑ ፕሮፌሰር ኣስትሮፊዚክስ፡ ጆናታን ማክዶወል ገሊጹ። \"በቃ ሕግተት ስሕበት እዩ ክኽተል ጸኒሑ፤ ምውት ነይሩ ክበሃል ይኽእል\" ኢሉ። ኣብ ህዋ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ተልእኾኦም ዝወድኡ ናብ መሬት መምለሲ ነዳዲ ዝሰኣኑ ማሽናት ከም ዘለው ይግለጽ። \"ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታትምሉእ ብምሉእ መስመሮም ዝሰሓቱ ክሳዕ 50 ዝኾኑ ዓበይቲ ኣቕሑት ኣለው። እዚ ቅመሚ ሕጂ'ውን ብዙሕ ግዜ ከይፈለጥና ኣጋጢሙ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ናይ ሕጂ ግና ዝተረጋገጸ ናይ ፈለማ ክኸውን እዩ\" ይብል ፕሮፌሰር ማክዶወል። እቲ ሮኬት ብ 4 መጋቢት ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ እዩ ምስ ወርሒ ክጋጮ ምዃኑ ተገሚቱ ዘሎ። እቲ ፕሮፌሰር ወሲኹ \"ኣርባዕተ ቶን ክብደት ዘለዎ ሓጺን ኮይኑ፤ ብድሕሪት ሞቶር ኣለዎ። እዚ፡ 5000 ማይል ኣብ ሰዓት ምስ ዝጎዪ ከውሒ ክጋጮ እንከሎ ዝፍጠር ዘሕጉስ ኣይኮነን\" ይብል። እቲ ሮኬት ድሕሪ ምግጫው ኣብ ልዕሊ ወርሒ ሰብ ሰርሖ ጉድጓድ ከፈጥር እዩ። ሶፍትዌር ተጠቒሙ ኣብ ህዋ ንዝርከቡ ነገራት ዝከታተል ቢል ጌሪ እቲ ሮኬት 4 መጋቢት ምስ ወርሒ ክጋጮ ምዃኑ ገሚቱ ኣሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ከጋጥም ከሎ እንታይ ክኽሰት ይኽእል ኣብ ዝብል ጉዳይ ኣብ 2009 ፕሮፌሰር ማክዶወልን ካልኦት ጠፈርተኛታትን ኣብ ቤተፈተነ ምርመራ ኣካዪዶም ነይሮም። እዚ ማለት ተመራመርቲ ካብቲ ምግጫው ብዙሕ ዝመሃርዎ ሓድሽ ነገር ኣይክህሉን እዩ። እንተኾነ ግና ኣብ ህዋ ዘንሳፍፉ ዘለው ነገራት ክጋጨው እንከለው ብዙሕ ሓደጋ እኳ እንተዘይፈጠሩ ንመጻኢ ኣስጋኢ ክኸውን ይኽእል እዩ ይብል ፕሮፌሰር ማክዶወል።","category":"ጠፈራዊ ዳህሳስ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60151776"} {"headline":"ናሳ፡ ኣብ ህዋ ተፈጺሙ ንዝተብሃለ 'ናይ መጀመርያ ገበን' የጻሪ ምህላዉ ገሊጹ","content":"ጠፈርተኛ አን ማክሌን፡ ኣብ ዓለማዊ መደብር ምርምር ጠፈር ኮይና ናይ ዝተፋተሓታ መጻምዳ ሕሳብ ባንኪ ከፊታ ብምርኣያ እያ ትኽሰስ ዘላ። እዚ ድማ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ህዋ ዝተፈጸመ 'ገበን' ኮይኑ ክምዝገብ ከምዝኽእል እዩ ዝግለጽ። አን ማክሌን፡ ነቲ ሒሳብ ባንኪ ከፊታ ከምዝራኣየት ኣሚና፤ እንተኾነ እቲ ተግባር ቅኑዕ ምዃኑ ብምግላጽ 'ጌጋ ኣይፈጸምኩን' ከምዝበለት ኒውዮርክ ታይምስ ጸብጺቡ። አን ማክሌንን ሰምር ዎርደንን፡ ኣብ 2014 ናይ ተመሳሳሊ ጾታ መርዐአን ዝፈጸማ ኮይነን፡ ኣብ 2018 ድማ ተፈላልየን። አን ጠፈርተኛ ክትከውን ከላ፡ ሰምር ድማ ኣብ ሓይሊ ኣየር ናይ ስለያ መኮነን እያ። ሰምር፡ ናብ ኮሚሽን ንግዲ ኣመሪካ ክሲ ምስኣቕረበት፤ እታ ተመራማሪት ናብ ምድሪ ተመሊሳ። አን ማክሌን፡ ብጠበቓኣ ኣቢላ ንኒው ዮርክ ታይምስ ከምዝበለቶ፡ ቁጠባ ናይቲ ስድራ ውሑስ ከምዘሎ ንምርግጋጽን፡ ቅድሚ ፍትሕ ምፍጻመን ብሓባር ዘዕብየኦ ንዝነበራ ወደን ዘድልዮ ጠለባት ክማለኣሉ ዘኽእል እኹል ገንዘብ ከምዘሎ ንምርኣይ ዝገበረቶ ምዃኑን እያ ትገልጽ። ኣብ ውሽጢ ዓለማዊ መደብር ምርምር ጠፈር፡ ሓሙሽተ ሃገራውን ዓለምለኻውን ትካላት ምርምር ጠፈር ኣለዉ። ንሳቶም ድማ፡ ናይ ኣመሪካ፣ ካናዳ፣ ጃፓን፣ ሩስያን ናይ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳን ትካላት እዮም። ኣብ ጠፈር፡ ሓደ ካናዳዊ እንተደኣ ገበን ፈጺሙ፡ ብሕጊ ካናዳ እዩ ዝኽሰስ፤ ሩስያዊ እንተኾይኑ ድማ ብሕጊ ሩስያ።","category":"ጠፈራዊ ዳህሳስ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49463991"} {"headline":"ክርስቲና ኮችን ጀሲካ ሜርን፡ ፈላማይ ብደቂኣንስትዮ ጥራይ ዝተገበረ ጉዕዞ-ኣብ-ህዋ ኣካይደን","content":"ናይ ናሳ ተመራመርቲ ክርስቲና ኮችን ጀሲካ ሜርን፡ ፈላማይ ብደቂኣንስትዮ ጥራይ ዝተገበረ ጉዕዞ-ኣብ-ህዋ (ስፔስዎክ) ኣካይደን። እተን ተመራመርቲ፡ ካብ ኣብ ዓለማዊ መደብር ምርምር ጠፈር ወጺአን፡ ኣብ ደገ ሸውዓተ ሰዓታት እየን ኣሕሊፈን። ካብቲ መደብር ወጺአን ድማ፡ ኣብ ደጋዊ ክፋል ናይቲ መደብር ዝተበላሸወ ሓደ ናይ ጸዓት ንዋት ተኪአን ተመሊሰን። ክሪስቲና ቅድሚ ሕዚ ኣርባዕተ ተመሳሳሊ ጉዕዞታት ዝገበረት ክትከውን ከላ፡ ጀሲካ ግን ነዚ ጉዕዞ ክትገብር ከላ ንመጀመርያኣ እዩ። ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ነተን ተመራመርቲ ብቪድዮ ደዊሉ እንቋዕ ደስ በለክን ኢሉወን። ንሳተን ድማ \"ንደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሕልሞም ከግህዱ ንዝሰርሑ ኩሎም ምንቕቓሕ ክንፈጥር ኢና ኢልና ንኣምን\" ክብላ መሊሰናሉ። ክሪስቲና መሃንዲስ ኤሌክትሪክ ክትከውን እንከላ፡ ጀሲካ ድማ ኣብ ማያዊ ስነህይወት ዶክትሬት ዲግሪ ኣለዋ። ብዓርቢ፡ ክልቲአን ተመራመርቲ ናይ ጠፈር ክዳውንተን ተኸዲነን ካብ ዓለማዊ መደብር ምርምር ጠፈር ብምውጻእ፡ ነቲ ዝተበላሸወ ክፋል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተኪአን ተመሊሰን። ካብ መደበር ምርምር ጠፈር ወጺኣ፡ ኣብ ህዋ ጉዕዞ ዝገበረት ፈላመይቲ ጓል ኣነስተይቲ፡ ሩስያዊት ስቬትላና ሳቪትስካያ እያ። ንሳ፡ ኣብ 1984 ካብታ 'ሳልዩት 7' እትበሃል ናይ ሕብረት ሶቭየት ነበር መደብር ምርምር ጠፈር ጠፈር ወጺኣ፡ ኣብ ህዋ ንሰለስተ ሰዓታትን 35 ደቒቕን ጸኒሓ። ኣብ ታሪክ፡ ጉዕዞ-ኣብ-ህዋ ዝገበረ ፈላማይ ሰብ ድማ አሌክሲ ሌኦኖቭ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ 85 ዓመቱ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እዩ ዓሪፉ።","category":"ጠፈራዊ ዳህሳስ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50116969"} {"headline":"ኣብ ካናዳ፡ ዝጠፍአት ኣህጉር ከምዝነበረት መረዳእታታት ተረኺቡ","content":"ሓደ ካናዳዊ ተመራማሪ፤ እታ 'ዝጠፍአት' ኣህጉር ካብቲ ነይርዋ ተባሂሉ ዝግመት ዕቤት ንላዕሊ ገዛፍ ከምዝነበረት ኣረጋጊጹ። ባፍሊን ኣብ ዝተብሃሉ ብበረድ ዝተሸፈኑ ደሴታት ንዝተረኸቡ ስብርባራት ኣልማዝ መሰረት ገይሩ ምርምሩ ዘካየደ ካናዳዊ፤ እታ ኣሰር-መሰደራ ጠፊኣ ዝበላ ኣህጉር ካብቲ ዝእመነላ 10 ሚኢታዊ ንላዕሊ ገዛፍ ከምዝነበረት ዘርእይ መረዳእታ ረኺበ ይብል። እቶም ስብርባራት ኣልማዝ ናይዛ 'ኖርዝ ኣትላንቲክ ክራቶን' ተባሂላ ዝተሰምየት ኣህጉር ተረፍ-መረፍ እዮም። ሰሜን ኣመሪካ ክራቶን፡ ካብ ናይ ሎሚ ስኮትላንድ ክሳብ ሰሜን ኣመሪካ ዝዝርጋሕ ኾይኑ ቅድሚ 150 ሚልዮን ዓመታት እዩ ተበታቲኹ ጠፊኡ ተባሂሉ ይእመነሉ። እቶም ተመራመርቲ ነዚ ኩሉ ርካባት ክረኽቡ ዝበቕዑ፡ ኣብ ደሴታት ባፍሊን ኣብ ዝርከቡ ኣኻውሕ ኣብ ዝተረኸቡ ስብርባራት ኣልማዝ ብዝገበርዎ መጽናዕቲ እዩ። እቶም ኣኻውሕ 'ኪምበርላይትስ' እናተብሃሉ ይጽውዑ። ፍልይ ዝበለ መልክዕን ቅርጽን ስለዘለዎም ድማ፡ ሰባት እንትረኽብዎም ከየልዐሉ ኣይሓልፍዎምን። ተመራማሪት ስነ-ኳዕቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብሪቲሽ ኮሎምብያ፡ ማያ ኮፒሎቫ፡ እዞም ኣኻውሕ ኣብ ትሕቲ ጸፍሒ ምድሪ ዘሎ ባህሪ ቁልጭ ኣቢሎም ዘርእዩ 'ፍሉያት ተፈጥሮታት' እያ ትብሎም። ብፍላይ ድማ ምስቶም ኣኻውሕ ተጣቢቖም ዝርከቡ ደቓቕም ስብርባራት ኣልማዝ፡ እታ ኣህጉር እንታይ ተፈጥሮ ከምዝነበራ ንምጽናዕ ዝጠቕሙ ባእታታት ዝሓዙ ከምዝኾኑ ትዛረብ። ኣብ መጽሄት ውጽኢታት ምርምር እቲ ዩኒቨርሲቲ ዝሰፈረ ጽሑፍ፡ ነዞም ስብርባራት ኣልማዝ ምርካብ፡ ዳርጋ ክሳብ ሎሚ ብዛዕባ እታ ዝጠፍኣት ኣህጉር ሕንቅሕንቅሊተይ ኮይኑ ንዝጸንሐ ምስጢር ዝፈትሕ እዩ ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ። \"ብዛዕባ እታ ዝጠፍአት ኣህጉር ንዝነበረና ፍልጠት ብዓብዩ ዝቕይር ውጽኢት ምርምር\" ኢላቶ ማያ ።","category":"ጠፈራዊ ዳህሳስ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51993699"} {"headline":"ናሳ ናይ 23 ሚልዮን ዶላር ዓይኒ-ምድሪ ናብ ጠፈር ይልእኽ","content":"ትካል ምርምር ጠፈር ኣሜሪካ፡ ናብቲ ኣብ ህዋ ዓለምና ዘዘንቢ ኣብ ዘሎ ዓለም-ለኻዊ መደበር ምርምር ጠፈር፡ ኣገልግሎት ክህብ ዝኽእል ዓይኒ-ምድሪ ከልእኽ እዩ። እቲ ዓይኒ-ምድሪ ኣብ ኣህጉራዊ መደበር ጠፈር ምስ ተፈተነ፡ ኣብ መጻኢ ናብ ወርሒ ንዝግበሩ ናይ ምርምር ጉዕዞታት ኣገልግሎት ክህብ ምዃኑ ተገሊጹ። ብፍላይ እዚ ስርዓተ ባዶሽ (ቫክዩም) መሰረት ገይሩ ዝተዳለወ ዓይኒ ምድሪ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ጠፈርተኛታት ዜጥዕም ኮይኑ ዝተዳለወ እዩ ተባሂሉ። ነቲ ዓይኒ-ምድሪ ዝጽዕን መንኮርኮር ብሓሙስ ካብ ዋሎፕስ ኣይላንድ፡ ቨርጂንያ ክውንጨፍ ትጽቢት ተጌሩ ነይሩ። እንተኾነ ግና ክውንጨፍ ሰለስተ ደቓይቕ ምስ ተረፎ፡ ብሰንኪ ቴክኒካዊ ጸገማት ተቋሪጹ። እቲ ዓይኒ-ምድሪ ከም ዝኾነ ንእስ ዝበለ ህዝባዊ ዓይኒ-ምድሪ ዝመሳሰል ክኸውን እንከሎ፡ ኣጠቓቕምኡ ግን ካብቲ ኣብ መሬት ዝርከብ ዝተፈለየ እዩ። ስሕበት ምድሪ ኣብ ዘይብሉ ስፍራ፡ እቲ መሳርሒ ርስሓት ካብ ኣካላት ሰባት ስሒቡ ብምውጻእ፡ ጠፈርተኛታት ክጸራረዩ ይሕግዝ። ናይ ጠፈር ዓይኒ-ምድሪ ዝሰርሓሉ ኣገባብ ምስቲ ሓመድ ካብ መንጸፍ ንምጽራይ እንጥቀመሉ 'ቫክዩም ክሊነር' ዝመሳሰል እዩ። ርስሓት ካብ ኣካላት ብምስሓብ ናብቲ ዝተዳለወሉ መዕቆሪ ይሰድድ። ጨናን ባክቴርያን ድማ ብምልኣት የጽሪ። እቲ ዓይኒ-ምድሪ 45 ኪሎግራም ክብደት ክህልዎ እንከሎ፤ 71 ሴንቲሜተር ቁመት ኣለዎ። እዚ ሕጂ ተዳልዩ ዘሎ ዓይኒ-ምድሪ ካብቲ ዝጸንሐ ብ65% ከም ዝንእስን ክብደቱ'ውን ብ40% ከም ዝፎኩስን ተገሊጹ። ኣዳለውቲ እቲ ንድፊ፡ እዚ ናይ ሕጂ ዓይኒ-ምድሪ ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ ጠፈርተኛታት ከምዝተዳለወ ተዛሪቦም። ጠፈርተኛታት ንሽንቲ ማይ ክሸኑ ምስ ዝደልዩ፡ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝተፈላለየ ቅርጺ ዘለዎም ጥርሙስ ይጥቀሙ። እቲ ሽንቲ፡ ኣድላዪ ምጽራያት ተገይሩሉ፡ ደጊሙ ንምስታይ ከም ዝውዕል ይግበር።","category":"ጠፈራዊ ዳህሳስ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54400242"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ምውንጫፍ ሳተላይት ናብ ታሕሳስ ተሰጋጊሩ","content":"ኢትየጵያ ኣብዚ ወርሒ ክትውንጭፎ ወጢናቶ ዝነበረት ሳተላይት ናብ ታሕሳስ 17፡ 2012 (ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ከም ዝተሰጋገረ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ስነፍልጠት ህዋን ቴክኖሎጅን ኢትዮጵያ ዶክተር ሰለሞን በላይ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ኢትዮጵያ ንምርመራ መሬት እተገልግል ሳተላይት ኣብዚ ወርሒ ካብ ቻይና ክትውንጭፍ ተሊማ ምንባራ ዝዝከር እዩ። ዶ\/ር ሰለሞን ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ ኢትዮጵያ ነታ ሳተላይት እትቆጻጸረሉ ማእከል፡ ብምኽንያት ብርቱዕ ዝናብ፡ ክፍተን ስለ ዘይከኣለ፡ እታ ሳተላይት ትውንጨፈሉ መዓልቲ ተሰጋጊሩ ኣሎ። ምህናጽ እታ ሳተላይት ኣብቲ ዝተወጠነሉ እዋን ምዝዛሙ ገሊጹ፤ እቲ መቆጻጸሪ ማእከል ብዝግባእ ከይተፈተነ ነታ ሳተላይት ምውንጫፍ ስለ ዘይከኣል፤ ምስ ቻይና ብምርድዳእ ናብ ታሕሳስ ክሰጋገር ከም ዝተወሰነ ኣረዲኡ። \"ስርሓት እቲ ማእከል ምሉእ ብምሉእ ተዛዚሙ እዩ፤ እቲ ተሪፉ ዘሎ ምፍታን እዩ። ኣብ ታሕሳስ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ክውዳእ እዩ\" ኢሉ እቲ ዋና ዳይሬክተር። እታ ሳተላይት፡ ናብ ህዋ ድሕሪ ምውንጫፋ፡ ንመሬት እናዞረት ብስእሊ ሓበሬታ ክትስንድ እያ። እቲ ሓበሬታ ከከም ኣድላይነቱ ናብ ምድሪ ክለኣኽ እዩ። ኣብ ኣፍሪቃ ዛጊት ተመሳሳሊ ሳተላይት ዝወንጨፋ ሃገራት ሒደት ክኾና እንከለዋ፡ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት እያ ነቲ ስራሕ ጀሚራቶ። ኣብ ዓለም ሳተላይት መወንጨፊ ማእከል ዘለወን ሃገራት ሒደት ኮይነን፡ ኢትዮጵያ ምስ ቻይና ብዝገበረቶ ስምምዕ፡ እቲ ሳተላይት ካብ ቻይና ክውንጨፍ እዩ።","category":"ጠፈራዊ ዳህሳስ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49780048"} {"headline":"ስነ-ጠፈር፡ ንዝነበረ ርዲኢት ኣፈጣጥራ ዓለም ዝቐየረ ሓድሽ ክልሰ-ሓሳብ","content":"ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ፕላኔታት ተበጺሑ ዝነበረ ክልሰ-ሓሳብ (ትዮሪ) ቁልቁል ኣፍኡ ዝደፍእ ሓድሽ ምርምር ወጺኡ። ተመራመርቲ ኣድማስ (ዩኒቨርስ) ክሳብ ሕጂ ክብሉና ዝጸንሑ፡ ኣብ ኣድማስ ዝነበረ ግኡዝ ነገራት፡ ብሓይሊ ምስ ተጋጨዉ ብዝተፈጥረ ምፍንጫል ዓበይቲ ፕላኔታትን ወርሒታትን ተፈጢሮም። እዚ ድማ፡ 'እቲ ዓብዪ ግጭት' ወይ 'ቢግ ባንግ ቲዮሪ' (Big Bang Theory) ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ትማሊ ዝወጽአ ሓድሽ መጽናዕቲ ግን፡ ነቲ ካብ ማእከላይ ደረጃ ኣትሒዝና ክንምሃሮ ዝጸናሕና 'ጆግራፊ' ይኹን ስነሂወት (ባዮሎጂ) ምሉእ ብምሉእ ዝግልብጥ'ዩ። ተመራመርቲ ከም ዝበልዎ፡ እቲ መስርሕ ምፍጣር ፕላኔታት፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝፍለጥ ዝነበረ፡ ብሓያል ግጭት ዘይኮነ፡ ብህድኣት ዝተፈጸመ'ዩ። እቲ ኣብ መጽሄት ስነፍልጠት (ሳይንስ ጆርናል) ሰፊሩ ዘሎ ውጽኢት ናይቲ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ ኣብቲ ኣብ ከተማ ሲያትል፡ ኣመሪካ፡ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ማሕበር ምምዕባል ስነፍልጠት (Association for the Advancement of Science) ቀሪቡ'ሎ። ኣብቲ መጽናዕቲ መሪሕ ተራ ዝተጻወተ ዶክተር ኣላን ስተርን፡ ብዛዕባ'ቲ ርኽበት ክዛረብ እንከሎ፡ \"ኣዝዩ ዘገርምን ኣመና ዓቢን'ዩ\" ክብል ገሊጽዎ። \"ካብ 1960ታትን ኣትሒዙ ዝጸንሐ፡ ጎነጻዊ ግጭት ዝብል ክልሰ-ሓሳብ ነይሩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን እናማዕበለ ዝመጸ ክልሰ-ሓሳብ ግን፡ ህዱእ ምትእኽኻብ ዝብል'ዩ። እቲ ሓደ ሓመድ'ዩ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ንበይኑ ደው ዝበለ። እዚ ኣብ ስነፍልጠት ፕላኔታት ሳሕቲ'ዩ ዘጋጥም። ሎሚ ግን ነቲ ጉዳይ ደምዲምናዮ ኣለና\" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። እዚ ሓድሽ ፍልጠት፡ ኣብ ሓደ ኣብ ጻት ስርዓተ-ጸሓይ (ሶላር ሲስተም) ዝርከብ ግኡዝ ነገር ደቂቕ መጽናዕቲ ድሕሪ ምክያድ ዝተበጽሐ'ዩ። እቲ 'ኣሮኮት' (Arrokoth) ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎ ከውሒ፡ ካብ ጸሓይ 6 ቢልዮን ኪሜ ርሒቑ፡ 'ቅናት ኲፐር' ኣብ ዝተባህለ ክሊ ኣድማስ ዝርከብ'ዩ። እቲ ክልተ ኣካላት ብሓባር ዘቖምዎ ከውሒ፡ ቅድሚ 4.6 ቢልዮን ዓመታት፡ ፕላኔታት ኣብ ዝተፈጥራሉ እዋን፡ ዝተረፈ ሓድጊ መስርሕ ምቛም ፕላኔታት ምዃኑ ይእመን። እቶም ተመራመርቲ፡ ሓንቲ 'ኒው ሆራይዞንስ' ዝተባህለት መንኮርኮር ትካል ጠፈር ኣመሪካ፡ ናሳ፡ ዝሳኣለቶ፡ ኣዝዩ ንጽር ስእሊ ድሕሪ ምርካቦም'ዮም ነቲ መጽናዕቲ ኣካይዶሞ። እቲ ዝረኸብዎ ስእልታት፡ ኣየናይ ክልሰ-ሓሳብ ቅኑዕ ከም ዝኾነ ከረጋግጹ ዕድል ሂብዎም። ብግጭት ድዮም ተፈጢሮም ዋላስ ብህዱእ ምጽንባር? ዶ\/ር ስተርንን ብጾቱን፡ ኣብ ዝገበርዎ ምርምር፡ ንጎነጻዊ ግጭት ጭብጢ ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ናይ ምንቃዕ ምልክት ይኹን ናይ ምጽፋሕ ኣይረኸቡን። እዚ ድማ፡ እቶም ክልተ ኣካላት ናይቲ ግኡዝ ነገር፡ ቀስ ኢሎም ከም ዝተላገቡ ዝሕብር'ዩ። \"እዚ ወሳኒ'ዩ\" ይብል ዶ\/ር ስተርን። \"ኣብ ሓደ በረራ፡ ኣርኮት ነቶም ዝነበሩ ክልተ ክልሰ-ሓሳባት መደምደምታ ክህበሎም ኪኢሉ።\" ኣብቲ ብቅናት ኲፐር (ኲፐር በልት) ዝፍለጥ፡ ጫፍ ክሊ ስርዓተ ጸሓይ ዝርከቡ ግኡዝ ነገራት፡ ኣብ ምምስራት ናይቲ ስርዓት ጀሚሮም፡ ብዘይ ዝኾነ ለውጢ ዝቐጸሉ ምዃኖም፡ ንመደምደምትኦም ቅኑዕ ምዃኑ'ዩ ዶ\/ር ስተርን ዝዛረብ- ብምሉእ ምትእምማን። ናይ ርሑቕ መዋእላት ሓድጊ ከምዘለዎ ዝዓቀቡ ምዃኖም'ዩ ዝንገረሎም። እቲ ብህድኣት ዝተፈጸመ መስርሕ'ዩ ዝብል ክልሰ-ሓሳብ፡ ቅድሚ 15 ዓመት፡ ኣብቲ ኣብ ስዊድን ዝርከብ፡ ሉንድ ኦብሰርቫቶሪ (መቋመቲ ኣድማስ) ዝሰርሕ ስዊድናዊ ፕሮፌሰር ኣንድረስ ጆሃንሰን ዘማዕበሎ'ዩ። ንሱ፡ ነቲ ሓሳብ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን፡ መንእሰይ ናይ ዶክትሬት (PhD) ተምሃራይ'ዩ ነይሩ። እቲ ሓሳብ ድማ፡ ካብ ናይ ኮምፒዩተር ሞደል ዝነቐለ'ዩ። ንሓሳቡ፡ ዶ\/ር ስተርን ከም ዘረጋገጾ ምስ ተነግረ ድማ፡ ሓንሳብ ቀዚዙ ከም ዝተረፈ ይዛረብ። \"ፍሉይ ህሞት'ዩ። ይዝከረኒ፡ ናይ ፒ-ኤች-ዲ ተምሃራይ እንከለኹ፡ እቲ ዝረኸብክዎ ውጽኢት ካብቶም ኣቐዲሞም ዝነበሩ ዝፍለ ብምንባሩ፡ ፈሪሐ ነይረ። ኣብቲ ዝተጠቐምኩሉ ኮድ፡ ጌጋ ከይህሉ እሞ እቲ ዝገበርክዎ መስርሕ ግጉይ ከይከውን ሰጊአ ነይረ። ሕጂ ግን፡ ብቀጥታዊ ትዕዝብትታት ተረጋጊጹ ክትርኢ ንከለኻ፡ እፎይታ ዝፈጥር'ዩ\" ይብል። ፕሮፌሰር ሃንሰን፡ ንዝተሰምዖ ሓጎስ፡ ንርእሱን ቤተሰቡን ፒሳን ኮካኮላን ብምእንጋድ ጸንቢልዎ። ሓንቲ ካብ ኣቕረብቲ፡ ናይ ቢቢሲ መደብ 'ስካይ ኣት ናይት' (ሰማይ ኣብ ለይቲ) ዝኾነት ኢንጂነር ዶ\/ር ማጊ ኣደሪን-ፖኮክ፡ ንሓደ ግኡዝ ነገር ብምዕዛብ ጥራይ ነቲ ዝጸንሐ ርዲኢት ምቕያር ጥንቃቐ ዝሓትት ምዃኑ ትግለጽ እምበር፡ እቲ ትንተና ግን \"ክኸውን ልዑል ተኽእሎ ዘለዎ'ዩ\" ትብል። \"እዚ ጭብጢ'ዚ ክህሉ ጽቡቕ'ዩ፡ ምኽንያቱ ዋላ'ኳ እቲ ዝነበረ ክልሰ-ሓሳብ'ውን ጽቡቕ እንተኾነ፡ ገለ ብድሆታት ነይሮሞ'ዮም። ስለምንታይ እቶም ነገራት፡ ንሓድሕዶም ምስ ተጣበቑ፡ ኣይተፈላለዩን? ብዙሕ ነገራት ነይሩ ዘይተነጸረ።\" እቲ ኣርኮት ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎ ግኡዝ ነገር (ከውሒ)፡ ቅድሚ 6 ዓመታት'ዩ ንፈለማ እዋን ተረኺቡ። 'ኣርኮት' ዝብል ቃል ድማ፡ በቲ 'ፖውሃታን\/ኣልጎኒኳን' ዝባሃል ቋንቋ መበቆላውያን (ደቀባት) ኣመሪካውያን 'ሰማይ' ዝብል ትርጉም ዘለዎም ምዃኑ ይፍለጥ።","category":"ጠፈራዊ ዳህሳስ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51506452"} {"headline":"ናሳ ኣብ ዝሃቦ ናይ ሓጺር እዋን ዕድል ስራሕ ሓዳሽ ፕላኔት ዝረኸበ መንእሰይ","content":"ወዲ 17 ዓመት ዎልፍ ኩኪየር ኣብ ናሳ ዝረኸቦ ዕድል ንሓጺር እዋን ስልጠና እናተኸታተለ ስራሕ ልምዲ ንኽሕዝ'ዩ። ናብቲ ማእኸል ካብ ዝኣቱ ኣብ ሳልሳይ መዓልቱ ድማ ሓዳሽ ፕላኔት ረኺቡ። ካብ ሳተላይት ዝረኸቦም ምስልታት ይርእይ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ሓደ ፍልይ ዝበለ ኣካል ክዕዘብ ክኢሉ። ብዝገበሮ ጻዕሪ ድማ እቲ ዝረኣዮ ነገር፡ ካብ መሬት 1 ሽሕን 300 ብርሃን ዓመት ርሕቐት እትርከብ ፕላኔት ኮይና ከምዝረኸባ ናሳ ኣረጋጊጹ። ዎልፍ \"ንኽልተ ከዋኽብቲ እትዘውር ፕላኔት ንምርካብ ይጽዕር ነይረ\" ክብል ይዝክር ሽዑ ኣብ ብርሃን እተን ከዋኽብቲ ለውጢ እንተዳኣሃልዩ ንምፍላጥ ይከታተል ነይሩ። እዚ ድማ ብቕድሚት ትሓልፍ ናይ ዘላ ፕላኔት ጽላሎት ከምልክት ዝኽእል'ዩ። ናብ ናሳ ካብ ዝኣትው ኣብ ሳልሳይ መዓልቱ ከኣ ንመሬት ብብዙሕ ብርሃን ዓመታት ናብ ዝርሓቐ ስርዓተ ጸሓይ ይርእይ ኣብ ዝነበረሉ ሰዓት ዝኾነ ነገር ንብርሃን እተን ከዋኽብቲ ክጋርድ ተዓዚቡ። \"ካብተን ከዋኽብቲ ዝተረኸበ መረዳእታ ክንርእዮ ጀሚርና። ክልተ ተወሰኽቲ ናይ ብርሃን ዕርበት ድማ ርኢና። ምናልባት ፕላኔት ክትህልው ትኽእልያ ብዝብል ትንተናና ቀጺልና\" ክብል ይዝክር። ዎልፍ ዝረኸቦ ነገር ካልኦት ተመራመርቲ ኢዶም ክሓውሱሉ ግድን ነይሩ። ብዝተገበረ ተወሳኺ መጽናዕቲ ከኣ እታ ፕላኔት ካብ መሬት ብ6.9 ዕጽፊ ከምእትዓብይ ተረጋጊጹ። TOI 1338 b ዝብል ስያመ ረኺባላ። \"ሓወይ ነታ ዓለም ዎልፍቶፕያ ክብላ ሓሲቡ ነይሩ፤ TOI 1338 b ዝብል ግን ብቑዕ ይመስለኒ\" ይብል እቲ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ። እዚ ስም፡ ኣብ ክልተ ከዋኽብቲ ዑዱት ከምእትገብር ዘረድእ'ዩ። \"ናሳ ብዛዕባ ንዓይ ምቑጻር እንታይ ከምዝሓስብ ዝፈልጦ ነገር የብለይን፤ ንዓይ ግን ንልምዲ ስራሕ (ሲቪ) ጽቡቕ'ዩ\" ይብል ዎልፍ። ንሓጺር እዋን ስልጠና ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ብዝረኸቦ ውጽኢት እቲ ኤጀንሲ \"ከምዝተደመመ\" ወሲኹ ይገልጽ። ሎሚ ክዳን ኣባላት ናሳ ብኹርዓት ተኸዲኑ'ሎ። እቲ ኽዳን ግን ካብቲ ኤጅንሲ ብህያብ ዝረኸቦ ዘይኮነስ፡ ብዝነከየ ዋጋ ኣብኡ ዝዓደጎ እዩ። እዚ መንእሰይ ኣብ ምርምር ህዋ ዝለዓለ ፍቕሪ ሓዲርዎ'ሎ። ናብ ዩኒቨርሲቲ ምስኣተወ ፊዚክስ ኣስትሮ ፊዚክስ ከጽንዕ ድልየት ኣለዎ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ዝመጽኣሉ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ተመሊሱ'ሎ።","category":"ጠፈራዊ ዳህሳስ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51132244"} {"headline":"ምርምር ህዋ፡ ቻይና ናብ ወርሒ ዝለኣኸታ መንኮርኮር ቅምሶ ሓመድን እምንን ሒዛ ተመሊሳ","content":"ቻይና ካብ ወርሒ ቅምሶ ሓመድን እምንን ሒዛ ንኽትመጽእ ዝለኣኸታ መንኮርኮር ዕላምኣ ኣዕዊታ ከም ዝተመለሰት ተገሊጹ። 'ቻንግ ኢ-5' ዝብል መጸውዒ ዝተወሃባ መንኮርኩር ብ24 ሕዳር'ያ ናብ ወርሒ ተላኢኻ። እታ ተመሳሳሊ ዕላማ ሒዛ ንመወዳእታ ጊዜ ናብ ወርሒ ዝተለኣኸት መንኮርኮር ቅድሚ 40 ዓመታት ብሩስያ ዝተወንጨፈት ምንባራ ኣብ ታሪኽ ይዝከር። ነቲ ሕዚ ዝተዓወተ ጉዕዞ ስዒቡ ድማ ቻይና ካብ ኣሜሪካን ሩስያን ቀጺላ ቅምሶ ሓመድን እምንን ካብ ወርሒ ክተምጽእ ዝኸኣለት ሳልሰይቲ ሃገር ኮይና'ላ። ቻይና ነዚ ክተዐውት ምኽኣላ፤ ኣብ ምርምር ሳይንስ ህዋ ንዝበጽሓትሉ ደረጃ ንዓለም ከተርእይ ዓብዪ ዕድል ዝፈጥረላ እዩ። እታ ናብ ወርሒ በጺሓ ዝተመለሰት መንኮርኮር ናብ መሬት ክትዓልብ ከላ ብዙሓት ሰብሞያ ከምዝተቐበልዋ ተፈሊጡ። ካብ ወርሒ ድማ ካብ 2 ክሳብ 4 ኪሎ ግራም ዝምዘን ሓመድን ስብርባር ኣኻውሕን ሒዛ ከምዝተመለሰት ይግመት። እታ ቻንግ-5 ዝብል ስያመ ዝተወሃበ መንኮርኮር፤ ስያመኣ ካብ ጥንታውያን ኣማልኽቲ ወርሒ ዝተወሰደ እዩ። እቲ ሒዛቶ ዝተመለሰት ሓመድን እምንን ድማ ክሳብ ሎሚ ካብ ዘይተዳህሰሰ ክፋል ወርሒ ዝተረኸበ ምዃኑ ተገሊጹ። ኣብቲ ብ1976 ብሩስያ ዝተኸየደ ምውንጫፍ መንኮርኮር 170 ግራም ስብርባር እምኒ ጥራይ ምምጻእ ከምዝተኽኣለ ይግለጽ። እቲ ካብ ወርሒ ዝመጽእ ሓመድን ስብርባር እምንን ብዛዕባ ወርሒ ንምግንዛብን ኣብ መጻኢ ናብ ወርሒ ክግብሩ ዝሕሰቡ መገሻታት ቅልል ዝበሉ ንምግባርን ከምዝሕግዝ ሰብሞያ ቻይና ይገልጹ። እቲ ዝተወሰደ ቅምሶታት ድማ ልዕሊ ሰለስተ ቢልዮን ዓመታት ከምዘቑጸረ ይግመት።","category":"ጠፈራዊ ዳህሳስ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55344402"} {"headline":"ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ሳተላይት ወንጪፋ","content":"ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ሳተላይት ናብ ጠፈር ወንጪፋ። እዛ Ethiopian Remote Sensing Satellite - 01 (ETRSS - 01) ዝተሰምየት ሳተላይት፡ ሎሚ ካብ መደብር መወንጨፊ ሳተላይት ቻይና እያ ናብ ጠፈር ተወንጪፋ። እታ ሳተላይት፡ ንዕደና፣ ንሕርሻ፣ ንሓለዋ ከባቢ፣ ንመጽናዕቲ ስነ-ምድሪ ዘገልግሉ ሓበሬታታት እትህብ እያ። ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት ኣገልግሎት ክትህብ ትጽቢት ዝግበረላ እዛ ሳተላይት፡ በብኣርባዕተ መዓልቱ ናይ ሙሉእ ኢትዮጵያ ሓበሬታ ክትሰድድ እያ። ኣብ 55 መዓልታት ከኣ፡ ዓለማዊ ሓበሬታ ትሰድድ። እታ ሳተላይት ብመንግስቲ ቻይና ዝተሃነጸት ኮይና፡ 21 ኢትዮጵያውያን ተመራመርቲ እውን ኣብቲ ከይዲ ከምዝተሳተፉ ተገሊጹ። እዛ ዓርቢ ወጋሕታ ዝተወንጨፈት 70 ኪሎ ግራም ክብደት ዘለዋ ሳተላይት፡ ካብ ቻይና ብዝተረኸበ 6 ሚሊዮን ዶላር እያ ተሃኒጻ። ሳተላይት ምውንጫፍ ንምንታይ የድሊ? ካብ ህዋ ንመሬት ምድህሳስ ብዙሕ ረብሓታት ኣለዎ። ሰብሞያ ከምዝብልዎ፡ ለውጢ ክሊማ ንምቁጽጻር፣ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ቀዲምካ ንምትንባይን ውሕስነት ንምርግጋጽን ሳተላይት ተጠቒምካ ሓበሬታታት ክትእክብ ትኽእል። ኣብ ሕርሻ እውን፡ ኣየናይ ከባቢ ልሙዕ ምዃኑ፡ ብዛዕባ ትሕዝቶ ሓመድን ማይን ዝኣምሰሉ ሓበሬታታት ካብ ሳተላይት ምርካብ ይከኣል እዩ። ካብ ሰተላይት ብዝርከብ ሓበሬታ፡ ፋብሪካታት ኣበየናይ ከባብታት ክህነጹ ከምዘለዎም ንምውሳን ከምዘኽእል እውን ሰብሞያ ይዛረቡ። ቅድም ክብል፡ ኢትዮጵያ ነዞም ዝተጠቐሱ ዓይነት ሓበሬታታት ካብ ካልኦት ሃገራት እያ ትረክብ ነይራ። ሳተለይት ኣወንጪፈን ስእልታት ካብ ዝስእላ ሃገራት ክትዕድግ እያ ጸኒሓ። ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዝተጸንዐ መጽናዕቲ ከምዝብሎ፡ ኢትዮጵያ ናይ ሳተላይት ሓበሬታታት ንምዕዳግ ዓመታዊ 250 ሚልዮን ብር ወጻኢ ትገብር ነይራ።","category":"ጠፈራዊ ዳህሳስ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50863317"} {"headline":"ናብ ህዋ ጉዕዞ ብምግባር ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ክኸውን'ዩ ዝተባህለ ማሰኮ ብሓደጋ ሞተር ሞይቱ","content":"ናብ ህዋ ናይ ምኻድ ዕድል ረኺቡ ዝነበረ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ማንዳላ ማሰኮ ብሓደጋ ሞተር ብሽክሊታ ህይወቱ ሓሊፋ። ማሰኮ እቲ ረኺብዎ ዝነበረ ዕድል ግብራዊ እንተዝኸውን ናብ ህዋ ክጓዓዝ ዝኸኣለ ፈለማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ምኾነ ነይሩ። እቲ ወዲ 30 ዓመት ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ብሓደጋ ሞተር ብሽክለታ ህይወቱ ከም ዝሰኣነ ቤተሰቡ ኣፍሊጦም። ኣባል ሓይሊ ኣየር ዝነበረ ማሰኮ፡ ብ2013 ናብ ኣካዳሚ ህዋ ኣሜሪካ ንምእታው ምስ ልዕሊ 1 ሚልዮን ሰባት ብምውድዳር ካብ ሞንጎ ዝተሓርዩ 23 ሰባት ሓደ ክኸውን ኪኢሉ ነይሩ። መሓዙቱ 'ስፔስቦይ' [ወዲ ህዋ] እናበሉ ዝጸውዕዎ ማንዳላ ማሶኮ፡ ናብ ኣሜሪካ ብምኻድ ልምምድ ጉዕዞ ህዋ ገይሩ'ዩ። ንሱ \"ንኣፍሪቃውያን መናእሰይ ዘነቓቕሕ ስራሕ ክሰርሕ እደሊ። ዝሓሰብዎ ነገር ከሳኽዑ ከም ዝኽእሉ ከረጋግጸሎም እፈቱ\" ይብል ነይሩ። ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ከኣ \"ኣብ ህዋ ኮይነ ክድውለልኩም'የ\" ኢሉ ነይሩ። \"ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ናብ ህዋ ክኸይድ ከለኹ ልክዕ ከም ኒል ኣርመስትሮንግ ንዓመታት ዝኸይድ ስልኪ ክህልወኒ'ዩ\" ክብል'ውን ገሊጹ። ብ1969 ንፈለማ እዋን ኣብ ወርሒ ዝረገጸ ሰብ ከም ዝኾነ ዝፍለጥ ኣሜሪካዊ ተመራማሪ ህዋ ኒል ኣርምስትሮንግ ኣብ መበል 82 ዓመት ዕድሚኡ፡ ብ2012 ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ'ዩ።","category":"ጠፈራዊ ዳህሳስ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48905295"} {"headline":"ናብ ፕላነት ማርስ ዝተወንጨፈት መንኮርኮር ንተመራመርቲ ስነ ጠፈር ዓወት ኣበሲራ","content":"ተመራመርቲ ትካል ስነ-ጠፈር ኣመሪካ፡ ናሳ፡ እታ ቅድሚ ሓያሎ ኣዋርሕ ናብ ህዋ ዝወንጨፉዋ መንኮርኮር ከም ሃረርትኦም ብሰላም ናብ ፕላነት ማርስ ምዕላባ ዓቢ ሓጎስ ፈጢሩሎም ኣሎ። እታ 'ፐርሲቪራንስ (ሓቦ) ዝተባህለት መንኮርኮር ጠፈር፡ ድሕሪ ናይ ሚልዮናት ኪሎሜትራት ዝተሓላለኸ ጉዕዞ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ሓደ ኣብታ ፕላነት ዝርከብ \"ጀዜሮ ክሬተር\" ዝብል መጽናዕታዊ ስም ዝተዋህቦ ዓᎁቕ ቦታ ከምቲ ዝተመደበላ ምዕላባ ዓቢ ዓወት ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ። እታ ብሓንቲ ንኡሽቶ ሄሊኮፕተር ተሰንያ ኣብ ገጽ እታ \"ቀያሕ ፕላነት\" ረጊጻ ዘላ መንኮርኮር፡ ኣሰር ሂወት ንምርካብ ሃሰስ ክትብል ትጽቢት ይግበረላ። ድሮ ንተቖጻጸርታ ናይ ብስራት ስእልታት ዝሰደደት ፐርሲቪራንስ፡ ኣብ ዝቕጽል መዓልታትን ኣዋርሕን ብርክት ዝበለ ሓበሬታ ናብ ምድሪ ክትልእኽ ብዙሕ ተስፋ ተነቢሩላ ኣሎ። እታ ሓደ ቶን ዝኽብደታ ሮቦታዊት መንኮርኮር፡ ተሰሪሓ ናብ መዕለቢኣ ክሳብ እትበጽሕ ልዕሊ 2.7 ቢልዮን ዶላር ወዲኣ'ላ። ነቲ ስእልታትን ሓበሬታታትን ናብ ምድሪ ንምስግጋር ካልኦት ሳተላይታት ኣብ ልዕሊኣ ክዝምብያ ምጅማረን እቶም ተመራመርቲ ሓቢሮም ኣለዉ። በቶም ኣብ ምድሪ ኮይኖም ዝቆጻጸርዋ ተመራመርቲ እናተደገፈትን ብምዕቡል መሳሪሒታታ እናተመርሐትን ዳህሳሳ ክትጅምር'ያ። ነዚ ዕማም'ዚ ብግቡእ ንምፍጻም ድማ ዝተፈላለዩ ካሜራታትን መሰሪሒታትን ዝተሶዂዕሎም ብዙሓት መሓውራት ኣለዉዋ። ካብተን ቅድሚ ሕጂ ናብታ ፕላነት ዝዓልባ ዝነበራ መንኮርኮራት ፍልይ ዝገብራ፡ ዝሓየለ ናይ ቪድዮን ደረቕን ካሜራታት ዝወነነት ምዃና'ዩ። ዝበለጸን ዝነጸረን ስእልታት ክትሰድድ ድማ ዓቢ ተስፋ ተነቢሩላ ይርከብ። \"ንመጀመርታ እዋን፡ ብኣዝዩ ንጹር [ሃይ ደፊኒሽን] ዝተቐድሐ ምዕላብ ናብ ካልእ ፕላነት ክንዕዘብ ኢና\" ክብል ምክትል ሓላፊ ናይቲ ፕሮጀክት ማት ዋለስ ብሓጎስ ተዛሪቡ። እታ ነታ መንኮርኮር ናብ ማዕልቦኣ ንክትበጽሕ ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ዝነበራ ስዋቲ ሞሃን ብወገና፡ ነቲ ዕዉት ምዕላብ ከተበስር ናይ ክብሪ ሓላፍነት ተዋሂብዋ ነይሩ። \"ኩሉ ኣቶኩሮይ እንታይ ሰሚዐ እንታይ ከምዝብል ንምፍላጥ'ዩ ተጸሚዱ ነይሩ። 'ምዕላባ ተረጋጊጹ' ምስ በልኩን ኩሉ ሰብ ብሓጎስ ክዕልል ምስ ጀመረ ድማ'ዩ ተፈሊጡኒ። 'እዋይ ተዓዊትና ማለት'ዩ' ኢለ። ኣብ ማርስ ኢና ዘለና። እዚ ልምምድ ኣይኮነን፡ ናይ ብሓቂ'ዩ\" ክትብል ክቱር ስምዒታ ንቢቢሲ ኣካፊላ። ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ቁጽሪ ናይቶ ኣብቲ ናይ መቆጻጸሪ መደበር ጠፈር ናይቲ ትካል ዝተረኽቡ ሰባት ድሩት'ዩ ነይሩ። ሓቦ፡ ልዕሊ 5 ወርሒ ዝወሰደላ ናይ ኣስታት 470 ሚልዮን ኪሜ ጉዕዞ ድሕሪ ምሽፋን'ያ፡ ኣብታ መተካእታ ፕላነት ምድሪ ክትከውን ተስፋ ዝግበረላ \"ቀያሕ ፕላነት\" ኣትያ ዘላ። ነቲ እትእክቦ ቅምሶታት ሓመደ-እምኒ ናብ ምድሪ ንምምጻእ፡ ካልእ መንኮርኮር ክትስደድ ምዃና ይፍለጥ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተወንጨፈት ካልእ መንኮርረር ኣብ ጠፈር ናይታ ፕላነት ብሰላም ምብጽሓ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ይኹን ማእከላይ ንምብራቕ ታሪኻዊ ምርምር ስነጠፈር ብምዃን ተመዝጊቡ ይርከብ። እታ \"ተስፋ\" ዝብል ዝተዋህባ መንኮርኮር ኢማራት ዓረብ ንኩነታት ኣየርን ክሌማን ማርስ ከተጽንዕ ትጽቢት ይግበረላ። ድሮ ዘገርም ምስልታት ናይታ እትዞራ ዘላ ፕላነት ሰዲዳ'ላ።","category":"ጠፈራዊ ዳህሳስ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56129313"} {"headline":"ስነጠፈር፡ ፕላኔት ሳተርን 20 ሓደስቲ ወርሒታት ከም ዘለዋ ተረጋጊጹ","content":"ፕላኔት ሳተርን፡ ነታ ክሳብ ሕጂ ዝበዝሓ ወርሒታት ከም ዘለዋ ክትፍለጥ ዝጸንሐት ጁፒተር ሓሊፋታ ይብሉ ኣመሪካውያን ተመራመርቲ። ሓደ ጉጅለ ተመራመርቲ ስነጠፈር፡ 20 ተወሰኽቲ ወርሒታት ነታ ብናይ በረድ ቀለቤት ዝተኸበት ሳተርን ከም ዝዞራ ኣረጋጊጽና ይብሉ። እዚ ማለት፡ ሳተርን 82 ወርሒታት ክህልዋ እንከሎ፡ እታ ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ዝጸንሐት ፕላኔት ጁፒተር ድማ ብ79 ወርሒታት ተዓጂባ ትርከብ። እተን ተፈጥሮኣውያን ሳተላይታት በቲ ኣብ ክፍለሃገር ሃዋኢ (ሕመኣ) ዝርከብ ሱባሩ ዝተባህለ ቴለስፕ'የን ክርከባ ኪለን። ነብሲወከፈን እዘን ኣብ ዙርያ ሳተርን ዑደት ዘካይዳ ሓደስቲ ወርሒታት፡ ሰንጣቒተን (ዲያሜተር) ኣስታት 5 ኪሜ ኮይኑ፡ 17 ካብኣተን ንድሕሪት ይዞራ- ኣንጻር ዑደት ናይታ ፕላኔት። እዚ ዑደት እዚ 'ሬትሮገሬድ ዳይረክሽን' ተባሂሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ናይተን ዝተረፋ ሰለስተ ድማ \"ፕሮገሬድ ዳይረክሽን\" ይበሃል- ኣብ ሓደ ኣንፈት ዑደት ናይታ ፕላኔት። ክልተ ካብዘን ዳሕረዎት ድማ፡ ኣብ ዙርያ ሳተርን ዝገብርኦ ምሉእ ዑደት ክልተ ዓመት ይወስደለን። እተን ካብታ ፕላኔት ርሒቐን ዝርከባ ወርሒታትን፡ ሓንቲ ካብተን ሰለስተን ድማ እቲ ዑደት፡ ንነብሲወከፈን ኣስታት ሰለስተ ዓመት ይወስደለን። \"ዑደት ናይዘን ወርሒታት ምጽናዕ ንመበቆለን ንምፍላጥ ዝሕግዝን፡ ኣብ ኣመሰራርታ ሳተርን ዝነበረ ኩነታት ዝገልጽ ሓበሬታ ንምርካብ ዘኽእልን'ዩ\" ይብል መራሒ ናይቲ ጉጅለ ተመራመርቲ፡ ዶ\/ር ስኮት ሸፓርድ፡ ካብ ካርነጅ ኢንስቲቱሽን ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ። ዶ\/ር ሸፓርድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብ 1990ታት ጀሚሩ ጁፒተር'ያ ዝበዝሓ ወርሒታት ከም ዘለዋ ክትፍለጥ ጸኒሓ ኢሉ። ተመራመርቲ፡ እተን ሓደስቲ ወርሒታት፡ ስብርባር ናይ ሰለስተ ዓበይቲ ኣካላት ክኾና ይኽእላ'የን ኢሎም ይኣምኑ። ዶ\/ር ሸፓርድን ብጾቱን፡ ኣብ ዙርያ ሳተርን ብዙሓት ካልኦት ወርሒታት ክረኽቡ ትጽቢት ይገብሩ። ይኹን 'ምበር፡ ንናኣሽቱ ወርሒታት ንምርካብ፡ ካብዞም ሕጂ ዘለዉ ዝዓበዩ ቴለስኮፓት ከድሊ ምዃኑ'ዮም ዝገልጹ። እቲ ጉጅለ ተመራመርቲ፡ ነተን ሓደስቲ ወርሒታት ኣስማት ንምውጻእ ውድድር ጀሚሮም ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ'ሎ። እቲ ምርጫ ካብቶም ዓበይቲ ብሂላት ኖርስ፡ ጋሊክ ኢኒት ክኸውን ኣለዎ ድማ ተባሂሉ'ሎ።","category":"ጠፈራዊ ዳህሳስ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49980711"} {"headline":"ጐዳጕዲ ወርሒ ብስመን ዝተሰምዩለን ደቂ ኣንስትዮ በዓል መን'የን?","content":"ወርሒ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ጐዳጕዲ (ሃጓፋት) ኣሎዋ። ገለ ካብ’ቶም ሓጓፋት ፍሉያት ኣስማት ደቂ-ሰብ ሒዞም ከም ዝርከቡዶ ትፈልጡ? ሓጓፍ ክንብል ከሎና ከም’ቶም ኣብ ኣፍ እሳተጐመራ ዝፍጠሩ ወይ ከኣ ዝሃመሙ ጐደጕዲ ማለት’ዩ። ማዕረ 1,577 ሓጓፋት-ወርሒ ኣስማት ህቡባት ሰባት - ከም ስነ-ፍልጠተኛታት፡ መሃንዲሳት፡ ዳህሰስቲ ዘኣመሰሉ - ተዋሂቡዎም ኣሎ፣ ይዅን’ምበር፡ ካብ’ቶም ኣስማት ንክብሪ ደቂ ኣንስትዮ ዝውድሱ 31 ጥራይ’ዮም። እተን ዝተረቝሓ ደቂ ኣንስትዮ በዓል መን ኮን ይዀና፣ ንምንታይ'ከ ቍጽረን ኣዝዩ ውሒዱ? በዓል መን’የን ኣስማተን ዝተረቝሓ? መብዝሕትኦም እቶም ሓጓፋት-ወርሒ ኣስማት ናይ’ቶም ኣብ ዓውድታት ሳይንስ፡ ፍልስፍና ዘበርከቱ ሰባት፡ ከምኡ’ውን ተመሳሳሊ ሰብ-ሞያ ክዀውን ከለዉ፡ ገለ-ገለ ኣስማት ኣማልኽቲ፡ ፍጡራት ስነ-ተረት’ውን ኣሎዎም። እቶም ሓጓፋት -ወርሒ ኣስማት ናይ ፕለይቶ (ፈላስፋ)፡ ጋሊለዮ ጋሊለይ (ስነ-ፈልከኛ \/ ኮኾባት ዘጽንዕ)፡ ከምኡ’ውን ኣይዛክ ኒውተን (ማተማቲከኛ) ዘኣመሰሉ ሰባት ስለ ዝተዋህቦም ኣስማቶም ንሓዋሩ ህያው ኰይኑ ከም ዝተርፍ ተገይሩ ኣሎ ማለት’ዩ። ብፍልይ ዝበለ ኣገባብ ድማ ንክብሪ ጆን ለኖን (ኣባል ናይ ‘ቢትልስ’ ዝበሃል ዝነበረ ባንድ) ተባሂሉ ሓደ ካብ’ቶም ሓጓፋት -ወርሒ ብስሙ ተጠሚቑ ይርከብ። ኣብ ላዕሊ ከምዝተጠቕሰ ካብ’ቶም ክሳብ ሕጂ ኣስማት ዝተዋህቦም ሓጓፋት 2% ጥራይ’ዮም ስም ደቂ-ኣንስትዮ ዘለዎም። ንሳቶም እንተዀኑ ብቐሊሉ ዘይርከቡን ዘይርኣዩን ሃጓፋት’ዮም - ማለት ኣብቲ ዝረሓቀን ሕቡእን ሸነኽ ወርሒ’ዮም ዝርከቡ። ነቶም ኣስማት ዝመርጹ በዓል’ዮም? ካብ 1919 ጀሚሩ ኣስማት ናይ ምዕዳል ሓላፍነት ዘሎዎ ትካል “ኢንተርናሽናል ኣስትሮኖሚካል ዩንዮን” ይበሃል። “ገለ ካብ’ቶም ኣስማት ናይ መበል 17 ክፍለ ዘመን’ዮም- ብመሰረት ጋሊለዮ ጋሊለይ ብናቱ ተለስኮፕ ብዝገበሮ ተፍትሽ-ወርሒ” ትብል ሜጋን ዳኒሁ፡ ሓላፊት እቲ ትካል። “ብ 1651፡ ጂዮቫኒ ሪችዮሊ፡ ንመጀመርታ እዋን ንሓጓፋት-ወርሒ ኣስማት ከጠምቕ ዝጀመረ ኢጣልያዊ ስነ-ኮኾበኛ ነበረ” ትብል ዶክ. ጣያባ ዛፋር፡ ፓኪስታንያዊት ስነ-ኮኸበኛ። “ሪችዮሊ ንሓደ ሃጓፍ-ወርሒ ብስሙ ኣጠሚቑ ንበል። ን 147 ሓጓፋት ኣስማት ሰብ ክህብ ከሎ ካብ’ኣታተን ክልተ ደቂ-ኣንስትዮ ነበራ።ሓንቲ ‘ሂፓትያ’ ኢያ፣ እታ ሓንቲ ግን ‘ናይ ኣለክሳንድርያ ቅድስቲ ካተሪና’ ኢያ ትብል ፕሮፈሶር ዳኒሁ። ኣብ’ቶም ዝሰዓቡ ዘመናት ብርክት ዝበሉ ሸነኻት ወርሒ ብድህሰሳ ስለ ዝተረኽቡ ኣስማቶም ናይ ደቂ-ተባዕትዮ ኣስማት እናተዋህቦም ቀጸሉ። “ምናልባሽ ኣብ’ቶም ዝሓለፉ ዘመናት ደቂ-ኣንስትዮ ዕድላት ትምህርቲ ይንፈገን ስለ ዝነበረ ከይከውን” ትብል ዶክተር ዛፋር። ንምንታይ’ዩ እቲ ቍጽሪ ኣስማት ደቂ-ኣንስትዮ ለጠቕ ኢሉ? መበል 20 ክፍለ ዘመን፡ ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ሶቬት-ሕብረት ንወርሒ-ቀዲሙ-መን-በጽሐ ብዘርኢ ቅድድም ኣብ 1950-1970 ኣብ ጥርዚ በጺሑ ከም ዝነበረ ዝዝከር’ዩ። “ገጻት ወርሒ ንምስያም ሕንፍሽፍሽ ስለ ዝኣተወ ብ 1973 ‘ኢንተርናሽናል ኣስትሮኖሚካል ዩንዮን’ ነቲ ጕዳይ ስርዓት ንምትሓዝ ሓደ ኮሚቴ ፈጠረ” ትብል ስነ-ፈልከኛ ሪታ ሹልዝ። ብመጀመርታ ገጻት ወርሒ ስም ንክወሃቦም ሳይንሳዊ ኣድላዪነት ክህሉ ኣሎዎ ኣብ ዚብል ስምምዕ ተበጽሐ። “እቶም ድሮ ስም ዝተዋህቦም ገጻት-ወርሒ ከም ዘሎዎም ክጸንሑ፡ እቶም ካብ ሽዑ ጀሚሮም ዝተለለዩ ገጻት ግን ብስነ-ፍልጠተኛታት ወይ ከኣ ዋልታውያን-ዳህሰስቲ ክኸውን ከም ዘሎዎ ተኣወጀ - ብህይወቶም ዘሎዉ ዘይኰኑስ ካብ ዝሓለፉ” ኢላ ዶክተር ሹልዝ መብርሂ ሃበትሉ። ካልእ ዝተኸሰተ ጕዳይ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ንምንታይ ጾታዊ ፍልልያት ብከፊል ንከይእለ ዝገበረ። “ብመጀመርታ እቲ ትካል ገጻት-ወርሒ ብደቂ ተባዕትዮ ንክስመ ወሰነ፣ ገጻት ፕላኔት ቨኑስ ኸኣ ብኣስማት ደቂ-ኣንስትዮ ክስመ” በለት ዶክ. ሹልዝ። እቲ ዉሳኔ ከልግስ ተገብረ፡ እቲ ፍፍልይ ድማ ከም ዝነበሮ ተረፈ። “ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ሸውዓት ጐደጕዲ-ወርሒጥራይ ብስም ደቂ-ኣንስትዮ ከም ዝስመዩ ተገብረ። እቲ ትካል ክምስረት ከሎ (1919) 2% ካብ ገጻት-ወርሒ ብስም ደቂ-ኣንስትዮ ተሰምየ፣ ድሕሪ ሚእቲ ዓመት እቲ ኣሃዝ ኣይተለወጠን” ትብል ዶክ. ዛፋር። ከምኡ እንተዀነ’ሞ እንታይ ፍልልይ የምጽእ? ሓጓፋት -ወርሒ ብሒደት ኣስማት ደቂ-ኣንስትዮ እንተ ተሰምየ’ሞ ገለ ለውጢ የምጽእ ድዩ? “ኣዐርዩ’ምበር!” ትብል ዶክ ማሪዛ ሶቶ ቫስከዝ። እዛ ጓል ቺለ ስነ-ኮኾበኛ ኣብ 25 ዕድሜኣ ብጻዕራ ሓደ ፈለማይ ፕላኔት ዳህሲሳ ዝረኸበት፡ ኣብ 31 ዕድሜኣ ድማ መበል ራብዓይ ፕላኔት ዳህዚሳ ዝረኸበት ሰብ’ያ። “ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ዓውዲ ሳይንስ ብዝያዳ ክሳተፋ ኣድላዪ እንተድኣ ዀይኑ ተረኣይነት ዓቢ ረቛሒ’ዩ - ማለት ኣስማተን ብሰፊሑ ተዘርጊሑ ክርአ” ኢላ ትምጕት። “መናእሰይ ኣዋልድ ክኣትውኦ ዝደልያ ትምህርቲ ንክመርጻ ግብራዊ ኣርኣያ ዝዀንአን ደቂ-ኣንስትዮ የድልየአን’የን” ትብል ዶክ. ሶቶ ቫስከዝ። “ከምዚዶ ከምቲ ክትኰኒ ኣይትኽእልን ኢኺ ምኽንያቱ ኣብቲ ዓውደ ትምህርቲ ደቂ-ኣንስትዮ የለዋን ... ስለዚ ንዓኺ ዝኸውን ትምህርቲ ኣይኰነን ... ከም መናእሰይ መጠን ብዙሕ መኳለፊ ወይ ዓንቃፊ ነገራት የጋጥመን’ዩ፣ ኣስማት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መጻሕፍቲ ሳይንስ ዘይምርካብ፡ ከምኡ’ውን ብኣካል ደቂ-ኣንስትዮ ዘይምርኣይ ሳዕቤናት ኣሎዎ” ኢላ ዶክ. ሶቶ ቫስከዝ ወሰኸትሉ። ዶክ. ቪኪ ቹ፡ ካብ ናይ ታይዋን ሃገራዊ ማሕበር ስነ-ጠፈር፡ ዝያዳ ገጻት-ወርሒ ብኣስማት ደቂ-ኣንስትዮ ክጽዋዕ ትመርጽ። ንሳ’ውን ኣስማት ደቂ-ኣንስትዮ ብወግዒ ክተኣታቶ ምስ ዝኽእል ዝያዳ መናእሰይ (ኣዋልድ) ኣብ ዓውዲ ሳይንስ ክምዝገባ ምረአና ኢላ ትኣምን። “እወ፡ ምናዳ ተምሃሮ ካልኣይ ደረጃን ዩኒቨርሲታትን ሳይንስ ንክመርጻ ምሓገዘን” ኢላ ትምጕት። “ተገንዝቦን ተፈላጥነትን ዉጽኢት ኣሎዎም” ትብል ዶክ. ጣያባ ዛፋር። “ማሕበረ-ሰብ ሳይንስ ኣድላይነት ደቂ-ኣንስትዮ ክግንዘቦ ይግባኣ፣ እዚ ኸኣ ኣርኣያ ንምዃን። ሕብረተሰብና ዜካትት፡ ዜተባብዕ፡ ዝተዓጻጸፍ ሃዋህዉ ስራሕ ክሓቍፍ ይግብእ” ትብል። ኣብ ቀረባ ጊዜ ናሳ፡ ትካል ጠፈር ሕ.መ.ኣ.፡ ን 2024 ንወርሒ ክትምለስ ምዃና ገሊጻ’ላ። ንጓል ኣንስተይቲ ናብ ጠፈር ክትልእኽ ምዃና ኸኣ ድሮ ሓቢራ ኣላ። መጠረስታ እዋን ሰባት ኣብ ወርሒ ዝዓለብሉ እዋን ብ 1972 ኢዩ ነይሩ። እምበኣርከስ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ገጽ ወርሒ ብስመን ንዝተሰምዩ ጐዳጕዲ ብምጽብጻብ ንጸንምብል ... ቫለንቲና ተረሽኮቫ (ትውልዲ ዓመት 1937)፡ “ኣብ መሬትና ሰብኡት ይዅኑ ኣንስቲ ኣብ ኮንዶኾን ወይከኣ ንሓደጋ ዜቃልዕ ጕዳይ ካብ ምእታው ድሕር ኣይንብልን ኢና። ንምንታይ ኣብ ጠፈር ተመሳሳሊ ስጕምቲ ዘይንወስድ?” ትብል ሩስያዊት ጠፈርተኛ ቫለንቲና ተረሽኮቫ። እዛ ፍሉይ ሳይንሳዊ ኣስተዋጽኦ ዝገበረት ሰብ እታ እንኮ ኣብ ገጽ-ወርሒ ብስማ ሓደ ጕድጓድ ዝተጸወዐ ኣሎዋ። ብ 1963 ንመጀመርታ ጊዜ ተረሽኮቫ ንጠፈር በይና ብምጕዓዛ ዓቢ ታሪኽ ሰሪሓ’ያ። ክሳብ ሕጂ እታ እንኮ፡ እሞ ኸኣ ንበይና፡ ዝተጓዓዘት ጠፈርተኛ’ያ። ሽዑ ጓል 26 ዓመት’ያ ነይራ። “ንጠፈር ድሕሪ ምጕዓዘይ እዛ ዓለምና ክሳብ ክንደይ ንእሽቶይን ተነካኢትን ምዃና ክግንዘብ ክኢለ” ትብል ተረሽኮቫ። ተረሽኮቫ ኣብ ጠፈር፡ ኣብ’ታ ቮስቶክ-6 እትጽዋዕ መንኰርኰር-ህዋ፡ ንሰለስተ መዓልታት ብምጽናሕ ን48 ጊዜ ኣብ ዑደት መሬት ክትዘውር ከኣለት። ተረሽኮቫ ደጊማ ንጠፈር ንኽትበጽሕ ዕድል ኣይረኸበትን። “ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ግዴአን የበርክታ’የን። ናተይ ኣስተዋጽኦ - ንጠፈር ብምብራረርይ - ንባዕሉ ድርኺት’ዩ” በለት። እቲ ብስማ ዝተሰምየ ገጸ-ወርሒ፡ ኣብ ርሕቕ ዝበለ፡ ኣብ ምዕራባዊ ወሰን ‘ማረ-ሞስኮቪንሰ’ ይርከብ። ሃይፓትያ (415 ቅ.ክ. )፡ ሃይፓትያ ማተማቲከኛ፡ ስነ-ኮኾበኛ: ከምኡ’ውን ፈላስፋ’ያ ነይራ። ትውልዲ ቦትኣ እስክንድርያ ኰይኑ ዝተወልደትሉ እዋን 350 – 370 ቅ.ክ. ይግመት። ኣብቲ እዋን ግብጺ ምብራቓዊ ግዝኣት ሮማውያን’ያ ነይራ። ኣብ ግዜኣ ንደቂ-ኣንስትዮ ዝወሃብ ትምህርቲ’ኳ ኣይንበር ሃፓትያ ግን እታ ቀዳመይቲ ህይወታ ንሳይንስ ዝወፈየት ሰብ ነበረት። ኣቦኣ ተመራማሪ ስነ-ጠፈርን ሓላፊ ቤተ-ንባብ እስክንድርያ ስለ ዝነበረ ጓሉ ብቑዕ ትምህርቲ ከምእትረክብ ገበረ። ዋላ’ኳ ሃይፓትያ ዘበርከተቶ ስራሓት እንተጠፍአ ብዘመና ብዙሓት ምሁራን ንስርሓ እናጠቐሱ ዝጸሓፍዎም ጽሑፋት ኣሎዉ። ሃይፓትያ ምስቲ ኣቡን እስክንድርያ ስለዘይተሳነየት ብዕስለ-ኣመንቲ ሃይማኖት ክርስትና ተጠቒዓ ሞተት። ድሕሪ ክልተ ሺሕ ዓመት ሃይፓትያ ብተጣበቕቲ ማዕርነት ደቂ-ኣንስትዮ ተፈላጥነት ረኺባ ንምንቅስቓሰን መነቓቕሒ ዀነት። ኣንቶንያ መሪ (1866-1952)፡ ኣንቶንያ መሪ ኣሜሪካዊት ስነ-ጠፈርተኛ ነበረት። ንሳ ምስ ጕጅልኣ “ኮምፕዩተራት ሃርቫርድ” ብዚብል ስም ይጽውዓ ነበራ። መሪ፡ ብመጽናዕት ‘ስፐክትሩማዊ ጽምዲ’ (spectral binaries)፡ እታ ቀዳመይቲ ምርምር ዜካየደት ሰብ’ያ። ብተወሳኺ፡ ንሳ ንናይ ከዋኽብቲ ኤለክትሮማግነታዊ ጸርጊ መዐቀኒ ዝኸውን ኣገባብ ዝመሃዘት፡ እሞ ኸኣ እቲ ምህዞኣ ክስብ ሎሚ ኣብ ‘ኢንተርናሽናል ኣስትሮኖሚካል ዩንዮን’ ይጥቀምሉ ኣሎዉ። ድሕሪ ሞታ (86 ዕድሚኣ) ፡ እቲ ትካል ንሓደ ሃጓፍ-ወርሒ፡ ብስማ ከም ዝጽዋዕ ገበረ። ካልፓና ቻውላ (1962–2003)፡ ቻውላ “ካብ ሕልሚ ናብ ጋህዲ ዘመሓላልፍ መንገዲ ኣሎ። ንምርካቡ ዜኽእል ዓቕመ-ምርኣይ፡ ኣብኡ ንምብጻሕ ዜኽእል ትብዓት፡ ንምስዓቡ ዜኽእል ጽንዓት እምነየልካ” ዝበለት ህንዳዊት ጠፈርተኛ ኢያ። ቻውላ ካብ ብንእሽቶኣ ብበረራ ፍሉይ ተመስጦ ዝነበረት ሰብ ነበረት። ቻውላ ኣብ ሃገረ ህንዲ ዓብያን ተማሂራን፡ ብተወሳኺ ኸኣ ኣብ ሕ.መ.ኣ. ትምህርታ ብምቕጻል መዓርግ-ዶክቶር ዝተቐበለት፡ ብድሕሪኡ ኸኣ ኣብ ናሳ (ሃገራዊ ኪነ-በረራ ሕ.መ.ኣ.) ዝተጸንበረት ስነ-ፍልጠተኛ’ያ። ካልፓና ቻውላ ብ 1997 ኣብ ‘ስፐይስ ሻትል’ ከም ጠፈርተኛን መሃንዲስን ኰይና ዘገልገለት ክኢላ’ያ። ቻውላ፡ ብ 2003 ምዃኑ’ዩ፡ ምስ ሸውዓተ መጓዕዝታ ኣብ’ታ ናብ መሬትና ትምለስ ዝነበረት ‘ስፐይስ ሻትል ኮሉምብያ’ ስለ ዝነበረት እታ መንኵርኰር ምስ ተባርዐት ኣብ ጠፈር ከላ ህይወታ ሓለፈ። ንመዘከርትኣ ሓደ ካብ’ቶም ጐዳጕዲ-ወርሒ ብስማ ተሰምየ። ኣኒ ጂን ኢዝሊ (1933-2011)፡ ብዕለት 1 የካቲት 2021 ኣኒ ጂን ኢዝሊ ሓደ ገጽ-ወርሒ ብስማ ተሰምየ። ኢዝሊ እታ ቀዳመይቲ ጸላም ኣሜሪካዊት ኣብ ናሳ ከም ናይ ኮምፕዩተር ሳይንሰኛ ኰይና ዘገልገለት ክኢላ ነበረት። ብተወሳኺ መተማቲከኛ ስለ ዝነበረት ከም ናይ ሮኬት ሳይንሰኛ ኣገልጊላ’ያ። ኢዝሊ ብንእሽቶኣ ኸላ ሕብረተሰብ ሕ.መ.ኣ. ብኣግልሎ ተፈላልዩ ስለ ዝነበረ ብቑዕ ትምህርቲ ንምርካብ ቀሊል ኣብ ዘይነበረሉ፡ ኣብ ቃልሲ መሰል ጸለምቲ እዋን’ያ ዓብያ። ንይሕቲ ንኽትከውን ኣበርቲዓ ንኽትሰርሕን ኣዲኣ ተተባብዓ ነበረት። ኣብ ናሳ ን 34 ዓመት ድሕሪ ምግልጋል፡ ኣብ ስርሓ ድማ ንጥፍቲ ብምንባራ ብርክት ዝበሉ ምስ ቴክኖሎጂ ዝተኣሳሰሩ ፍሉያትን ዓበይትን ስርሓት ኣበርኪታ’ያ። ኢዝሊ ኣብ ምሉእ ህይወታ ንካብ ንኡሳን (ዉጹዓት) ጕጅለታት ዝመጻ ደቂ-ኣንስትዮ ተምሃሮ ሳይንስ\/ህንደሳ\/ማተማቲካ ንኽመሃራ፡ ኣብ ዉሽጢ ናሳ ዝነበረ ሌላን-ጕሌላን ንኽጠፍእ ኣበርቲዓ ጽዒራ’ያ። እቲ ንክብራ ዝተሰምየ ህማም-ወርሒ ካብ 10 ኪ.ሜ. ዝውሕድ ሰንጣቒ-ቍመት ኣሎዎ። ቦትኡ ድማ ኣብቲ ዘይርአ ሸነኽ ወርሒ ይርከብ። ብዛዕባ ኢዝሊ ኣብ ገጻት ወብሳይታት-ናሳ እዚ ተጽሒፉ ንረክብ፡ “እቲ ንናሳ ብፍልጠታ ዘበርከተቶ ስራሕ ጥራይ ዘይኰነ ዝቝጸር፡ እቲ ጸዕራን ኣዎንታኢ ኣቕጫጫኣ ዉጽኢታዊ ምንባሩ ክዝከር ይግባእ” ይብል።","category":"ጠፈራዊ ዳህሳስ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56317569"} {"headline":"ብስርቂ ኣስታት 3.6 ሚልዮን ቅርሺ ዘውጽኡ ትራንስፎርመራት ዝተጠርጠሩ ተቐይዶም","content":"ኣገልግሎት ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢትዮጵያ ትሸዓተ ትራንስፎርመራት ከም ዝተሰረቕዎ ኣፍሊጡ። ካብዚኦም እቶም ሸውዓተ ትራንስፎርመራት፡ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣገልግሎት መብራህቲ ብፈረቓ (ብእበረ) ትረክብ ኣብ ዝነበረትሉ ዝሓለፈ ወርሒ ከምዝተሰረቑ ተገሊጹ። እቶም ትራንስፎርመራት ብዝተወደበ ኩነታት ብቐትሪ'ውን ከይተረፈ ከም ዝተሰረቑ ናይቲ ትካል ዳይሬክተር ኮሚዩኒኬሸን ኣይተ መላኩ ታየ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። የካ ኣብ ዝተበሃለ ክፍለ ከተማ ጥራይ፡ ዛጊት ትሸዓተ ትራንስፎርመራት ከም ዝተሰረቑ፡ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኮማንደር ፋሲካው ፈንታ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ኣብቲ ገበን ስርቂ ዝተሳተፉ ብዝብል ሓደ ዘዋሪ መኪና፣ ናብቲ ናይ ኤለክትሪክ ዓምዲ (ፓሎ) ብምድያብ ነቲ ትራንስፎርመር ዝፈትሕ ዝነበረን ሓጋዚኡን ብሓፈሻ ሰለስተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ምውዓሎም ገሊጹ። ኮማንደር ፋሲካው፡ ካብ ሞንጎ'ቶም ዝተትሓዙ እቲ ሓደ፡ ን 12 ዓመታት መዓልታዊ ሰራሕተኛ ሓይሊ መብራህቲ ኮይኑ ይሰርሕ ምንባሩ ኣረዲኡ። ኣይተ መልኣኩ ብወገኑ፡ እቲ ገበን ብሰብ-ሞያ ተሓጊዙ ዝተፈጸመ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ካብቶም ዝተትሓዙ ጥርጡራት ሓደ፡ ሰራሕተኛ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤለክትሪክ ከም ዝነበረ ኣረጋጊጹ። እቲ ሰብ፡ ቅድሚ 15 መዓልታት'ውን ናይ ኤለክትሪክ ገመድ ክሰርቕ ተረኺቡ ብዋሕስ ከም ዝተፈትሐ ኣዘኻኺሩ። ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ እቲ ሓደ \"ብተመሳሳሊ ገበን ተኸሲሱ ጉዳዩ ኣብ መስርሕ ፍርዲ ይርከብ\" ዝበለ ኮማንደር ፋሲካው፡ ካብ ትካሉ ምስተባረረ፡ ነቶም ካልኦት ተጠርጠርቲ ንገበን ከም ዘበገሶምን የተሓብብሮም ከም ዝነበረን ተዛሪቡ። ጥርጡራት ምርመራ ይካየዶም ከም ዘሎ ከኣ ወሲኹ ገሊጹ። ዋጋ ትራንስፎርመር ተጠርጠርቲ ዓበይቲ \"ክሬናት\" [ከቢድ ነገር ዘውርዳን ዘደይባን ማሽናት] ከም ዝተጠቐሙ ዝሓበረ ዳይሬክተር ኮሚዩኒኬሸን ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢትዮጵያ ኣይተ መላኩ ታየ፡ ነቲ ትራንስፎርመር ምሉእ ብምሉእ ኣልዒሎም ዘይኮነስ፡ ኣብ ውሽጡ ንዘለዉ፡ ሽቦታትን ኮፐርን ፈልዮም ከም ዝወስዱ ኣረዲኡ። ነቲ ገበን ክፍጽሙ ከለዉ ከኣ፡ ናይቲ ትካል ክዳን ደምቢ [ዩኒፎርም] ከም ዝኽደኑን፡ ህዝቢ ተጠራጢሩ ናብ ፖሊስ ሓበሬታ ከም ዝሃበን ሓቢሩ። ነቲ ዝሰረቕዎ እንታይ ይገብርዎ? ንመንከ ይሸጡሉ ኣብ ዝብል ምርመራ ይካየድ ኣሎ። ሓደ ትራንስፎርመር ብማእኸላይ ገምጋም ክሳብ 400 ሽሕ ብር [ገንዘብ ኢትዮጵያ] ከም ዘውጽእን፡ ክሳብ 2.5 ሚልዮን ብር ዘውጽእ ትራንስፎርመር'ውን ከምዘሎን ኣይተ መላኩ ገሊጹ።","category":"ኣዲስ ኣበባ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49014277"} {"headline":"ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዝተፈንጀረ ናይ ኢድ ቦምባ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ ኢድ ቦምባ ብምፍንጃሩ፡ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ጉድኣት ከምዝበጽሐ ፖሊስ ኣፍሊጡ። እቲ ሓደጋ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ልደታ፡ ዘጋጠመ ኾይኑ፡ በቲ ነትጒ ሰለስተ ሰባት እንትሞቱ 5 ሰባት ጉድኣት ከምዝበጽሖም ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ። እቲ ኮሚሽን ኣብ ፌስቡክ ገጹ ኣብ ዘውጸኦ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ እቲ ቦምባ ዝተፈንጀረ ሎሚ ሰንበት ንጎሆ ሰዓት 2፡30 [8፡00] እንትኸውን፡ ኣብ ክፍለ ከተማ ልደታ፡ ወረዳ 6፡ ፍሉይ ስሙ ‘ስልጤ መስጊድ’ እናተብሃለ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ዝርከብ፡ ንልምዓት ኣብ ዝፈረሰ ክፍቲ ቦታ እዩ። እቲ ሓደጋ ዘብጽሑ መንነቶም ዘይተፈልጡ ሰባት እንትኾኑ፡ በቲ ነትጒ ናይ ሰለስተ ግዳም ሓደርቲ ሰባት ህይወት ከምዝሓለፈ እቲ መግለጺ የብርህ። ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ ሰባት ድማ፡ ቀሊልን ከቢድን ጉድኣት ኣካል ከምዝበጽሐ እቲ ኮሚሽን ኣረጋጊጹ። ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፡ ዳይሬክተር ፡ዳይሬክቶሬት መርመራ ዝተፈላለዩን ዝተወደቡን ገበናት፡ ኮማንደር ኣለማየሁ ኣያልቄ ፡ ምስቲ ዝበጽሐ ሓደጋ ተዛሚዱ፡ ምጽራይ እናተገበረ ከምዝርከብ ገሊጹ። እቲ ምጽራይ ምስተወደአ፡ ንሕብረተሰብ ሓበሬታ ከምዝወሃብ’ውን ወሲኹ ሓቢሩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት፡ ከም ብዋዛ ተደርብዮም ዝርከቡ ቦምባታትን ነትጒን ህይወት ንጹሃን ዜጋታት እናሓለፈ ምዃኑ ብምሕባር፡ እቲ ሕብረተሰብ ከምዚ ዓይነት ዘጠራጥሩ ነገራት ካብ ምትንካፍ ክቑጠብ ኣጠንቂቑ። ቅድሚ ሒደት ሰሙናት፡ ኣብታ ከተማ ‘ዓድዋ ድልዲ’ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ተደርብዩ ዝጸንሐ ናይ ኢድ ቦምባ ብተመሳሳሊ ተፈንጂሩ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰባት ጉድኣት ከምዘብጸሐ ይዝከር።","category":"ኣዲስ ኣበባ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55387900"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ሃቂኖም ዝተበሃሉ ኣባላት ኣልሸባብን ዳዕሽን","content":"ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያን ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ምድላው ይገብሩ ነይሮም ዝተበሃሉ ኣባላት ኣልሸባብን ዳዕሽን (ኣይ ኤስ) ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝዋተው ተገሊጹ። ሃገራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕነትን ኢትዮጵያ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ኣባላት ኣልሸባብን ዳዕሽን መጥቃዕቲ ሽበራ ንምፍጻም ዝለዓለ ምድላዋት ይገብሩ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣብ ቀይዲ ምውዓሎም ኣፍሊጡ። ህዝቢ ዝበዝሓሎም ቦታታትን፣ ሃይማኖታዊ በዓላት ዝካየደሎምን ሆቴላትን መጥቃዕቲ ንምፍጻም ብስእሊ ዝተደገፈ መረዳእታታት ኣብ ምእካብ ተዋፊሩ ዝነበረ ኣባል ኣልሸባብ ሙሓመድ ኣብዱላሂ ዱለት ሓደ ካብ ተጠርጠርቲ'ዩ። ንሱ ብጂቡቲ ኣቢሉ'ዩ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ። እዚ ግለሰብ ምክትታል ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቦሌ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ መግለጺ ሃገራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕነትን ኣመልኪቱ። ጥርጠር ሙሓመድ ኣብዱላሂ ዱለት ብተወሳኺ፡ ካልኦት መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዝተዋፈሩ ምዃኖም ዝተገለጹ ተሓባበርቲ ካብ ሶማሊያ ናብ ኢትዮጵያ ምእታዎም ሓቢሩ። እቶም ተጠርጠርቲ ምስ ኣካላት ጸጥታ ሶማልያ ሓቢርካ ብዝተሰርሐ ስራሕ ኣብ ቀይዲ ክውዕሉ ምኽኣሎም ተገሊጹ'ሎ። ካልኦት ኣባላት ጉጅለ ሽበራ ዳዕሽ (ኣይ ኤስ) ድማ ካብ ቦሳሶ ብሶማሊላንድ ሃርጌሳ ኣቢሎም ኣዲስ ኣበባ ብምእታው መጥቃዕቲ ሽበራ ንምፍጻም ክንቀሳቐሱ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢ ኣዋሽን ዝተትሓዙ እዮም። ምስቶም ተጠርጠርቲ ዝጥቀሙለን ዝነበራ መሳርሕታት ርክብን ካልኦት ናውትን ከም ዝተትሓዙ'ውን ሃገራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕነትን ገሊጹ። ጉጅለ ሽበራ ዳዕሽ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ዝተዳለዉ መልእኽትታት ጽሑፍ ብቴሌግራም ክዝርግሕ ምዃኑ ዝሕብር መልእኽቲ ዘርጊሑ ነይሩ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮሎኔል ተስፋዬ፡ እቶም ጉጅለታት ሽበራ ዶብ ሰጊሮም ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ከም ዘይክእሉ ተዛሪቦም ነይሮም። \"ሓላዋ ድሕነት ሃገርና ስጡም ብምዃኑ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ስለዘይከኣሉ'ዮም ፕሮፖጋንዳ ይዝርግሑ ዘለዉ። ኣብ ከባቢ ዶብ ጥቡቕ ሓለዋ እናካየድና ኢና\" ምባሎም ይዝከር።","category":"ኣዲስ ኣበባ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49786597"} {"headline":"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ህንጻ ብምፍራሱ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ቂርቆስ ሓደ ኣብ ከይዲ ህንጸት ዝነበረ ህንጻ ከምዝፈረሰ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኮምሽን ኣመራርሓ ስራሕ ባርዕን ሓደጋን ኣፍሊጡ። እቲ ህንጻ ኣብ ካዛንችስ ማዕዶ ሆቴል ጁፒተር ከምዝኾነ ዝሓበረ ናይቲ ትካል ሓላፊ ኮሚኒኬሽን ኣቶ ጉልላት ጌታነህ፡ ትማሊ ዓርቢ ሰዓት 5 ከምዝፈረሰ ኣፍሊጡ። እቲ ህንጻ ገና ኣብ ጅማሮ እንከሎ ዝፈረሰ ኮይኑ ከም ሳዕቤኑ ድማ ሰለስተ ሰባት መይቶም ኣለዉ። ምኽንያት መፍረሲኡ ግን ዛጊድ ኣይተፈልጠን። እቶም ዝሞቱ ሰባት ኣብ ክሊ ዕደመ 23ን 24ን ዝርከቡ መናእሰይ ምዃኖም ተፈሊጡ። ካብቶም ዝሞቱ ብተወሳኺ ካልኦት 4 ሰባት ጉድኣት በጺሕዎም’ሎ። ኣብቲ ዝፈረሰ ህንጻ 112 ሰባት ኣብ ስራሕ ዝነበሩ ኮይኖም፡ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ፖሊስ ፌደራልን ተሓባቢሮም ብዘካየድዎ ህይወት ናይ ምድሓን ስራሕ 109 ሰባት ከምዘድሓኑ ኣቶ ጉልላት ተዛሪቡ። እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ንምቁጽጻር ሰብሞያን ተሽከርከርትን ስለዝተዋፈሩ ኣብ ውሽጢ 2 ሰዓታት ኣብ ቁጽጽር ውዒሉ። ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ልዕሊ 100 ሽሕ ብር ዝግመት ንብረት ከምዝዓነወ ዝገለጸ ኣቶ ጉልላት በቲ ዝተገበረ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ክልተ ሚልዮን ብር ዝግመት ንብረት ከምዝድሓነ ሓቢሩ። እታ መዓልታዊ ብዙሕ ናይ ኮንስትራክሽን ስራሕቲ ዝካየደላ ኣዲስ ኣበባ ሰኣን እኹል ጥንቅቓ ምግባር ቅድሚ ሕጂ’ውን ኣብ ልዕሊ ሰባት ንብረትን ጉድኣት ይበጽሕ ከምዝነበረ ይፍለጥ።","category":"ኣዲስ ኣበባ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56871693"} {"headline":"ኣብ ትግራይ ዘለዉ ኣዝማደይ ከዛርቦም ብዘይምኽኣለይ ተጨኒቐ'- ስነ ጥበባዊ ሮፍናን","content":"ብቕዲ ኤሌክትሮኒክስ ሙዚቓ ዝፍለጥ ኢትዮጵያዊ ስነ ጥበባዊ ሮፍናን ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ንዝተሃሰዩ ሰባት ካብ ጭንቆም ንኽናገፉ ሙዚቃ ከምዝሰርሕ ንናይ ቢቢሲ ዲጄ ኤዱ ገሊጹ። ድምጻውን ገጣምን ሮፍናን “ወለዶይ ከም መፈወሲ ከምዝጥቀመሉ’የ ዝኣምን” ኢሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ምኽንያት ኣብታ ሃገር ሓድሓድዊ ኵናት ቀጺሉ’ሎ። ሮፍናን፡ ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፡ “ኣብ [ትግራይ] ዘለዉ ኣዝማደይን ኣዕርኹተይን ክረኽቦም ብዘይምኽኣለይ ጭንቀት ፈጢሩለይ” ኢሉ። ካብ ወዲ 16 ዓመት ዕድሚኡ ጀሚሩ ኣብ ክለባት ኣዲስ ኣበባ ሙዚቃ ክጻወት ዝጀመረ ሮፍናን፡ ባህላዊ ናይ ሙዚቃ መሳርሕታት ተጠቒሙ ቅዲ ኤሌክትሮኒክስ ሙዚቃ ብምጽዋት’ዩ ዝፍለጥ። ‘ስድስት’ VI ኢሉ ዝሰመዮ ካልኣይ ኣልበሙ ጽቡቕ ቅብሉነት ከምዝረኸበን ኣብ ኩሉ ክፋል እታ ሃገር ይስማዕ ከምዘሎን ሮፍናን ተዛሪቡ። “ወዲ 17 ዓመት እንከለኹ እየ ጊታር ሒዘ ምጽዋት ጀሚረ። እንተኾነ ግን እቶም ዘፍርዮም ዝነበርኩ ሙዚቃታት ኣብ ቀጥታዊ መድረኻት ክጻወቶም ከምዘይብለይ ተረዲኤ። ኣብቲ ሽዑ ግዜ ሰባት ንዲጄታት ከም ሙዚቀኛታት ኣይኮኑን ዝርእይዎም ዝነበሩ” ሮፍናን ኣብ ግዜ ከይዲ ዲጄታት፡ ናይ ገዛእ ርእሶም መድረኻትን ድምጽን ክህልዎም ከምዝኽእልን ንሳቶም እቶም ሓደሽቲ ሙዚቀኛታት ከምዝኾኑን ተረዲኡ። “ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መድረኻት ሙዚቃ ሰብ ሞያ ፒያኖን ጊታርን ኢና” ዝበለ ስነ ጥበባዊ ሮፍናን፡ ናይ ሙዚቃ ስርሓቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ክለባት ክስምዑ ከምዝጀመሩን ኣብ ሓደ መደበር ራድዮ ድማ ብሞይኡ ንሰለስተ ዓመት ከምዝሰርሐ ሓቢሩ። ሮፍናን - ኣብ ዩኒቨርሳል ሙዚቃ ዝፈረመ ፈለማይ ኢትዮጵያዊ እዩ። “ንኣደይ ዝነበረኒ ፍቕሪ ንምግላጽን ካብ ጥቓይ ንኸይተርሕቕን ኢለ ወዲ 10 ዓመት ቆልዓ እንከለኹ ንኣደይ ብምቕዳሕ እየ ሙዚቃ ጀሚረ” ዝብል ሮፍናን ኣብቲ ሓድሽ ናይ ሙዚቃ ኣልበሙ \"ወጋሕታ\" ዝሰመያ ንጽል ዜማ ንፍቕሪ ስድርኡ ከምዝኾነ ገሊጹ። ብፍቕሪ ኣዲኡ ምኽንያት ናብ ሙዚቃ ዓለም ከምዝኣተወ ዝገልጽ ሮፍናን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ብቕዲ ኤሌክትሮኒክስ ሙዚቃ ልዑል ናእዳ ዝረኸበ መንእሰይ ስነ ጥበባዊ’ዩ። \"ኣደይ እንተዘይ ትሕግዘኒ ነይራ፡ ኣብ'ዚ ዓውዲ ስራሕ ኣይምነበርኩን\"- ድማ ኢሉ።","category":"ኣዲስ ኣበባ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyx8vx20znqo"} {"headline":"ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ልዕሊ ክልተ ቈልዑ ኣሕዋት ዘጋጠመ ቅትለት ንኸይድገም","content":"ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኮንደሚንየም ኣራብሳ ዘጋጠመ ገበን ቅትለት ክልተ ቈልዑ ኣሕዋት ዝሰምዑ ወለዲ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት እዮም ዘለው። ኣደታት ዋላ’ኳ ናብ ስርሐን እንተወፈራ ናብ ሰራሕተኛታት ገዛአን ብተደጋጋሚ ተሌፎን ይድውላ። \"ምስ ወደይ ኣራኸብኒ! ጓለይ ደሓን ዲኺ?\" ኢለን ደጋጊመን ይሓታ’ለዋ። ተለቂሐን ኣብ ገዛአን ካሜራ ዝገጠማ’ውን ኣለዋ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ግን ብግዲ እዩ፤ ወፊረን ክሳብ ዝምለሳ ደቀን እንታይ ከም ዘጋጥሞም ርግጸኛታት ክዀና ስለዘይከኣላ እዩ። ብሰንኪ'ዚ፡ ክጻወቱን ክዕንድሩን ዝግባኦም ህጻናት ኣብ ገዛኦም ተዓጽዮም ይርከቡ። ኣዲስ ኣበባ ንብዙሓት ህጻናት ቤት ማእሰርቲ ኰይናቶም ኣላ። ነዞም ህጻናት ካብዚ ገፊሕ ቤት ማእሰርቲ ብኸመይ ነገላግሎም? ብፍርቂ ልበን ዝሰርሓ ኣደታት ጭንቀተን ብኸመይ ክንኪ ይኽእል? ቈልዑ ምስ ኣደታቶም ኣብ ቤት ጽሕፈት እንተወዓሉ’ኸ? ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ሚኒስተርን ሓንቲ ሸቃጢት ኣሕምልትን እንታይ እዩ ዘመሳስለን? - ኣደነት። ኣብዚ እዋን እዚ ንኽልተአን ኣዝዩ ዘሻቕን ዘሎ ጉዳይ’ከ እንታይ እዩ? - ድሕነት ደቀን። \"ኣነ ኣብ ስራሕ ከለኹ ደቀይ ከመይ ኣለዉ?\" ዝብል ሕቶ ኣዝዩ የተሓሳስበን። እዚ ጉዳይ ዘተሓሳሰቦ መንግስቲ ብወገኑ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ብመገዲ ሚኒስቲ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኣቢሉ ሓደ ኣዋጅ ኣውጺኡ ነይሩ። እቲ ኣዋጅ ዝዀነ ይዅን ቤት ጽሕፈት መንግስቲ፡ ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ትሕቲ ሰለስተ ዓመት ዝዕድመኦም ደቀን ዘጽንሓሉን ዘጥብዋሉን መናበዪ ህጻናት ክምስርት ዘገድድ እዩ። እዚ ኣዋጅ እንተሃልዩ ግን ንምንታይ እዩ ብዙሕ መናበዪ ህጻናት ዘየለ? እቲ ኣዋጅ ኵለን ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ መናበዪ ህጻናት ክምስርታ ከምዘለወን ግዴታ የቐምጥ። ነዚ ንምትግባር ብደረጃ ሃገር ኣብ ሓጺር ግዜ ዓቢይ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ኣብ ሚኒስትሪ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን መንእሰያትን ዋና ፈጻሚት ስራሕ መይንስትሪሚንግ (ፍሉይ ጸገም ወይ ድሌት ዘለዎም ሰባት ኣብ ሓደ ቦታ ኣገልግሎት ክረኽቡ ምግባር) ዝዀነት ወይዘሮ ጽገ ታደለ ትገልጽ። ብድሆታት ሰራሕተኛ ኣደታት ንምንካይ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኣብ ሓጺር እዋን ኣብ ቤት ጽሕፈታት መንግስቲ 382 ማእከላት መናበዪ ህጻናት ከም ዝተኸፍቱ ወሲኻ ትሕብር። ንሳ፡ እዚ ቍጽሪ እዚ ዘተባብዕ እዩ ትበል እምበር ብሓፈሻ ኣብ ሚኒስትሪታት ዘሎ ኣሃዝ ግን ዘተባብዕ ኣይኰነን። ብመጀመርያ ብደረጃ ሃገር ብዝሒ ሚኒስተራት፡ ኣብያተ ጽሕፈትን ካልኦት መሓውር ክልላዊ መንግስትን 1871 ከምዝዀነ ነስተውዕል። ካብተን ኣስታት ክልተ ሽሕ ዝዀና ኣብያተ ጽሕፈት፡ እተን 382 ጥራይ መናበዪ ህጻናት ከምዘለወን እዩ ዝንገር። ነዚ ሓቂ ዘስተብሃለ ሰብ፡ ብዙሓት ኣሽሓት ኣደታት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ብዙሕ ሻቕሎት ከምዝርከባ ይርዳእ። “ሓድሽ ሓሳብ እዩ፤ ኣደታት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብሰንኪ ደቀን ካብ ስራሕ ይቦኽራ ከምዘለዋ ብመጽናዕቲ ስለዝተረጋገጸ እዩ እቲ ኣዋጅ ዝወጸ። እኹል'ዩ እንተዘይበልና'ውን ብኣወንታ ኢና ንርእዮ\" ትብል ወይዘሮ ጽገ። ሓንቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ሰራሕተኛ ጽሬት ዝዀነት ኣደ፡ ሓደ ውላዳ ኣብ መን ትገድፎ? መን እዩ ዝናብየላ? ሰራሕተኛ ክትቈጽር ትኽእል ድያ? ዓቕሚ ኣለዋ ድዩ? ንሓንቲ ካልኢት ብዛዕባ ቃንዛ እዛ ኣደ ምሕሳብ፡ ብዛዕባ እንታይ ንዛረብ ከም ዘለና ንምርዳእ ሓጋዚ እዩ። ኣደታት፡ ድሕሪ ሕርሲ እውን እንተዀነ ብዙሕ ፈተና ይገጥመን እዩ፤ ሓደ ካብኡ ሰራሕተኛ ገዛ ምርካብ እዩ። ክንደይ ኣደታትከ ሰራሕተኛ ገዛ ክቘጽራ ይኽእላ? እዚ’ውን ካልእ ቀንዲ ጸገም እዩ። \"ወደይ ገዲፈ ስራሕ ኣይከይድን\" ዝብላ ኣደታት ሒደት ኣይኰናን። እዚ ድማ ኣብ ማሕበራውን ቍጠባውን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዓቢይ ብድሆ ፈጢሩ ኣሎ። ኣደን ውላድን ካብዚ ‘ቤት ማእሰርቲ’ ንምውጻእ ዘሎ ሓደ ኣማራጺ፡ ኣብ ቦታ ስራሕ መናበዪ ህጻናት ክህሉ ምግዳድ እዩ። ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ብዙሓት ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ዝተሃንጻ መናበዪ ህጻናት ንብዙሓት ኣደታት እፎይታ ሂበን’ኳ እንተዀና፡ ንዅሉ ዝባጻሕ ዘይምዃኑ ግን፡ ገና ዓቢይ ጸገም ኰይኑ'ሎ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኣብ 2010 ዓ.ም (ግእዝ) ዘውጽኦ መምርሒ፡ ኵለን ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ብናይ ገዛእ ርእሰን ወጻኢታት መናበዪ ህጻናት ከቝማ ይጠልብ። እተን ንዝተፈላለዩ ጉዳያት ብዙሕ ገንዘብ ዘውጽኣ ትካላት መንግስቲ ግን፡ ንደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታተን ምቹእ ሃዋሁ ንምፍጣር ፋይናንሳዊ ጸገም ከምዘለወን ይገልጻ። ሰፊሕ ቦታ እናሃለወን'ውን ሕጸረት ቦታ ከምዘጋጠመን ይሕብራ። እቲ መመኽነይታ ባጀትን ቦታን ጥራሕ ኣይኰነን። ዝሰልጠኑ ኣለይቲ ህጻናት ስኢንና ዝበላ ትካላት ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ'ውን ኣለዋ። እዚ ትርጕም ዘለዎ ኣይኰነን። ወይዘሮ ጽገ፡ ኣብተን ኣብያተ ጽሕፈት ጸገማት ኣተሓሳስባን ዘይምቕባልን እቲ ኣዋጅ ርኡይ'ኳ እንተዀነ ብጭቡጥ ግን እቶም ዝተዘርዘሩ ዕንቅፋታት ከም ዘጋጠሙ ትምጕት። ከም ውጽኢቱ፡ ካብዘን ኵለን ሚኒስትሪታት ፌደራል እተን ሸውዓተ መናበዪ ህጻናት የብለንን። “ኢንሳ ኣብዚ መዳይ ክምስገን ዘለዎ ቤት ጽሕፈት እዩ። ኣማኢት ህጻናት ከአንግድ ዝኽእል ኣዝዩ ሰፊሕ ቦታ ዘለዎ መናበዪ ህጻናት ኣጣይሹ ኣሎ። እዚ ክግበር ዝኸኣለ ድማ ብሳላ ተወፋይነት ኣመራርሓ እዩ፣ ካልእ ምኽንያት የለን\" ትብል ወይዘሮ ጽገ። ከም ባይቶ፡ ሚኒስትሪ እቶት፡ ትምህርትን ሓለዋ ጥዕናን ማእከላት መናበዪ ህጻናት ብምቛም ኣብነት ኰይነን እየን። እሞ ኣየኖት ኣብያተ ጽሕፈታት እየን ከም ሓደ እከይ ዓዳሚ መርዓ \"ንቘልዑ ቦታ የብልናን\" ዝብላ ዘለዋ? ኵለን ኣብያተ ጽሕፈትን ትካላትን ማእከል መናበዪ ህጻናት ክሳብ ዝሃንጻ ካልእ እንታይ ክግበር ይከኣል? እቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ኣራብሳ ኮንዶሚንየም ዝተሰምዐ ዜና፡ \"...ብፍላይ ወፊረን ንዝምለሳ ኣደታት ፍጹም ዘሰንብድ ነይሩ\" ትብል ምክትል ኣደመንበር ቦርድ ትካል 'ትምራን' ብሌን ኣስራት። “ንደቂ ኣንስትዮ ዝምልከቱ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ጉዳያት እንመኽረሉ መድረኽ ኣሎና። ኣብ ቀረባ እዋን ዓቢይ ኣጀንዳና ንሱ እዩ ነይሩ።\" ብሌን እቲ ሰራሕተኛታት ብደላሎ ዝቝጸራሉ ባህላዊ መስርሕ ንባዕሉ ክምርመር ከምዘለዎ ትኣምን። “እቶም ደላሎ ዝህቡና ኢና ንወስድ፤ ኣሽንኳይዶ ሞያአን ጥዕንአን’ውን ነረጋግጸሉ መንገዲ የለን። እቶም ደላሎ ተሓተትቲ ኰይኖም ኣይፈልጡን።\" ብዙሓት ኣደታት ብደላሎ ተታሊለን እየን። ደቀን ዝናብዩለን ውላድ ዘመድ ከዕብያ ዝተገደዳ ብዙሓት እየን። እዚ ብግደኡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ካልእ ቍጠባዊ ጾር ይፈጥር። ብሰራሕተኛ ገዛ ተማሪረን ቈልዓ ንምውላድ ዝነበረን ሓሳብ ዳግማይ ክሓስባሉ ዝተገደዳ መንእሰያት ኣደታት የለዋ ድየን? ዝበዝሕ ጸገማት እምበኣር ብሰንኪ ደላሎ ዝምንጩ እዩ። “ደለልቲ ከበድቲ እዮም፤ ብተመኵሮይ ነታ ሰራሕተኛ ስማ ክትዛረብ ዕድል ኣይህብዋን። በቃ ንፍዕቲ እያ ይብሉ፣ ዘይትገብሮ ነገር የለን። ቈልዑ ከም እትፈቱ፡ ምግቢ ምኽሻን ከም ትኽእል፡ ክኢላ ምዃና ድማ ይዛረቡ። ዝረኽብዎ ኮሚሽን [ሚእታዊት] ጥራይ እዩ ዘገድሶም።\" ብርግጽ ደላሎ ነቲ ዓሚል ምስታ ሰራሕተኛ ከይዘራረብ ዝገብርዎ \"[እታ ሰራሕተኛ] ወልደፍደፍ ከይትብል\" እዩ። \"ኣበይ፡ ክንደይ ዓመት ሰሪሓ፡ ብምንታይ ምኽንያት ካብ ስርሓ ወጺኣ ዝብል ዝፈልጥ የለን” እንተላይ እቲ ደላላይ። ብሌን፡ ሰራሕተኛታት ገዛ ብዛዕባ ሕሉፍ ታሪኸን ዝፈልጠሉ መንገዲ ክህሉ ከምዘለዎ ትዛረብ። ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ሓጺር ግዜ ሓደ ክንእርሞ እንኽእል ነገር ደላሎ ምምልማል እዩ ኢላ ትኣምን። ብዛዕባ ሓደጋ ኣራብሳ ምስ ተሰምዐ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዙሕ ሕማቕ ዜና ተዘርጊሑ እዩ። ገለ ሕማም ኣእምሮ ዘለወን ሰራሕተኛታት ምስ ህጻን ዝተሓናነቓሉ ኣጋጣሚ እውን ተሰሚዑ ኣሎ። ሓንቲ ሰራሕተኛ ገዛ ብለይቲ ክትጭድር ዝሰምዐት ኣደ፡ ናብቲ ደላላይ ምስ ደወለት፡ \"ዋእ ጀሚርዋ ማለት እዩ? በቃ ክቕይረልኪ እየ ኣምጽእያ” ዝበለ ደላላ’ውን ኣሎ። “ግድን ስልጠና የድልዮም እዩ። እቲ መኽሰብ ንዓናን ንዓኣቶምን እዩ። ብገለ መንገዲ ተሓተትቲ ክዀኑ ኣለዎም” ትብል ብሌን። ኣብዚ ቀረባ እዋን ደቂ ኣንስትዮ ደላሎ ክረኣያ ምጅማረን ካልእ ተስፋ እዩ። ኣብቲ ዘተ በዓል ብሌን ካብ ዝተላዕሉ ነጥብታት ሓደ፡ እቶም ደላሎ \"ካብ ሆስፒታል ኣእምሮ ዝሃደማ ሰባት ክቝጸራ ይገብሩ እዮም\" ዝብል እዩ። ብርግጽ እቲ ጸገም ኣዝዩ ከቢድን ዘተሓሳስብን እዩ። ቈልዑ ትፈቱ እያ ተባሂላ ዝመጸት ሰራሕተኛ ገዛ፡ \"እቶም ቈልዑ ክርእዮም ከለኹ ሕነቐዮም፡ ሕነቐዮም ይመጸኒ\" ትብል ኰይና ክትረኽብዋ ከለኹም እንታይ ኰይኑ ዘየሰክፍ ይኸውን? ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ክውንነት፡ ሰራሕተኛ ምርካብ ጥራይ ኣይኮነን እቲ ብድሆ። ሰራሕተኛ ምስ ተረኽበት'ውን እንተዀነ፡ ኣደታት ካብ ስራሕ ዕረፍቲ ወሲደን ሓዳስ ሰራሕተኛ ከሰልጥና ግዴታ ኣለወን። ኣብያተ ጽሕፈታት መናበዪ ህጻናት ንምጥያሽ እንተኣብየን፡ ኣብ ሰራሕተኛታት ገዛ ተኣማንነት እንተዘይሃልዩ፡ ደላሎ እንተዘይተገዲሶም፡ ካልእ እንታይ ክግበር ይከኣል? ኣብ 'ጉድ ሳማሪታን' ኣካያዲት መደብ ዝዀነት እታፈራሁ፡ ኣብ ምምዕባል ማሕበረሰብን ትምህርትን ሰፊሕ ተመኵሮ ኣለዋ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ክትሰርሕ ከላ፡ ብዙሓት ኣደታት ደቀን ሒዘን ናብ ቤት ትምህርቲ ይመጻ ነይረን። ኣደታት ክመሃራ ከለዋ ድማ እቶም ቈልዑ የሸግርወን ነይሮም። ጸኒሐን ካብ ትምህርቲ ክቦኽራ ዝጀመራ ኣደታት ስለምንታይ ምስተባህላ “ወደይ\/ጓለይ ንመን ገዲፈ?” ክብላ ጀሚረን። \"ነቲ ጸገም ርኢና፡ ንምንታይ ኢና መናበዪ ቘልዑ ዘይነዳሉ ኢልና፡\" ትብል እታፈራሁ። ኣብ ብዙሕ ወረዳታትን ቀበሌታትን ቦታ ደልየን ብኣዝዩ ውሑድ ወጻኢታት መናበዪ ህጻናት ኣዳልየን። “እተን ኣብያተ ትምህርቲ ንእሽቶ ቦታ ክህባና ገይርና፣ ፍርናሽን ምንጻፍን ወሲኽናሉ። ብድሕሪኡ ኣደታት ምብኳር ኣቋሪጸን። ደቀን'ውን ምሉእ መዓልቲ እንተወዓሉ'ውን ሕጕሳት ኰይኖም።” ካብዚ ዝተዳለወ መናበዪ ህጻናት ሓንቲ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መባእታ ቤት ትምህርቲ ምኒልክ ትርከብ። ደቀን ኣብ ቤት ትምህርቲ ምኒልክ ኣቐሚጠን ናብ ስራሕ ዝኸዳ ኣደታት ነቲ ኣገልግሎት ኣብ ወርሒ 350 ብር ጥራሕ እየን ዝኸፍላ። እዚ ዝኸብደን ድኻታት ኣደታት ድማ ብነጻ ኣገልግሎት ክረኽባ ይኽእላ። \"እቲ ወረዳ ተጸሓሒፉ 6 ስራሕ ኣልቦ ኣደታት ከም ኣለይቲ ህጻናት ድሕሪ ምስልጣኑ እዩ እዚ ስራሕ ተጀሚሩ\" ትብል። እቲ ቤት ትምህርቲ ናእዳ ይግብኦ እዩ፣ እቲ ወረዳ እውን ከምኡ። እታፈራሁ፡ እቲ መናበዪ ህጻናት ስራሕ ምስ ጀመረ፡ ንኣደታት ዝፈጠሮ ቅሳነት ፈጺማ ኣይትርስዖን። \"[ኣደታት] ከመይ ከም ዘዕረፋ፡ ከመይ ከም ዝተሓጐሳ፡ ህይወተን ተቐይሩ እዩ።\" እቶም ቈልዑ ኣብቲ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ ምኒልክ ምውዓል ምስ ጀመሩ፡ መዛኑኦም ክናፍቝን ኣዝዮም ክሕጐሱን ጀሚሮም። ንዕብየቶም እውን ምቹእ እዩ ነይሩ። እታፈራሁ በዚ ስራሕ ሞዴሊን ስራሕ ክሳብ ሕጂ ዕግበት ይስምዓ። መናበዪ ህጻናት ብደረጃ ሕብረተሰብ ክሳኻዕ ከም ዝኽእል ኣጽኒዓ ትኣምን። ስለዝኾነ ድማ ባጀት የብልናን፡ ቦታ የብልናን ዝብል መመኽነይታ ዓበይቲ ቤት ጽሕፈታት ንዓኣ ብዙሕ ትርጕም ኣይህባን። ሚኒስተር ህጻናት፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ንመናበዪ ህጻናት ዝኸውን ቦታ ኣለዎ። “ኣስታት 10 ህጻናት ዘተኣናግድን ሞዴል ክኸውን ዝተዳለወን እዩ\" ትብል ወይዘሮ ጽገ። ሚኒስተራትን ኣባይቲ ጽሕፈትን ብውሑድ ወጻኢታት ማእከላት መናበዪ ህጻናት እንተሃኒጸን ስቓይ ኣደታት ከቃልላ ይኽእላ። መናበዪ ህጻናት ንምቛም ሚልዮናት ዶላር ከምዘየድሊ ኣረጋጊጸን እየን። “ኣብ ቤት ትምህርቲ ምኒልክ ክንጅምር ከለና፡ እቲ ቦታ ጐሓፍ ዝኽዘነሉ ኣረጊት መኽዘን ፋይላት እዩ ነይሩ። ሂወት 66 ኣደታትን 66 ቈልዑን ዝቐየረ ንሱ'ዩ\" ትብል እታፈራሁ። እዚ ኸኣ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ተመሳሳሊ ነገር ክግበር ከምዝከኣል እዩ ዝሕብር። ንኣብነት ኣብ ቀጽሪ መሳጊድን ኣብያተ ክርስትያናትን መናበዪ ህጻናት ምድላው ይከኣል እዩ። ነዚ እዩ ድማ እታፈራሁ፡ \"ናይ ድሌት እምበር ናይ ቦታ ጸገም የለን\" ትብል። ሓደ ሓደ ግዜ ንዝተፈላለዩ ፍጻመታትን ስፖንሰርሺፕን ዝወጸ ሚልዮናት ዶላር፡ ስቓይ ሚልዮናት ኣደታት ንኸብቅዕ ክውዕል ከም ዝኽእል ዘይምዝንጋዕ ኣገዳሲ እዩ።","category":"ኣዲስ ኣበባ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c03159px711o"} {"headline":"ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ነበር ታከለ ኡማ ወራር መሬት ተፈጺሙ ንዝብል ጸብጻብ ነጺጉዎ","content":"ትማሊ ሰኑይ ውድብ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ) ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍላተ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ውራ መሬትን ዘይሕጋዊ ዕደላ ሓበራዊ መንበሪ ኣባይትን ከምዝተፈጸመ ዝሕብር ጸብጻብ ወግዓዊ ምግባሩ ይዝከር። እዚ ዘይሕጋዊ ተግባር ድማ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ከምዝተሳተፉ ኣፍሊጡ'ዩ። ምኽትል ከንቲባ እታ ከተማ ዝነበረ ታከለ ኡማ [ኣብዚ ሕዚ እዋን ሚንስተር መዓድን] ብወገኑ ዝተፈጸመ ዘይሕጋዊ ተግባር የለን ክብል መልሲ ሂቡ'ሎ። ንሱ: \"ውራ መሬት ብዝምልከት ካብታ ፈላሚት መዓልቲ ጀሚርና ክሳብ መወዳእታ ተሪር ስጉምቲ ክንወስደሉ ዝጸናሕና ጉዳይ እዩ\" ክብል ኣብ ፌስቡክ ጽሒፉ። ን20 ሽሕ ሓረስቶት ዝተወሃቡ ናይ ኮንደሚንየም ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲ ብዝምልከት ከኣ ቅድሚ ሓደ ዓመት ብደረጃ ካቢነ ዝተወሰነን ዝተፈጸመን ከምዝኾነ ጠቒሱ። እቲ ተግባር ብቕሉዕ ከምዝተፈጸመ ዝሓበረ ታከለ ኡማ ካብ መሬቶም ተፈናቒሎም ኣብ ዝተሓተ ዓውዲ ስራሕ ተዋፊሮም ዝነበሩ 67 ሽሕ መራሕቲ ስድራ ከምዝነበሩ ብምግላጽ፤ ካብ ሞንጎኦም \"ኣብ ሕሱም ጸገም ንዝወደቑ\" 20 ሽሕ ኮንደሚንየም ከምዝተወሃበ ኣረዲኡ። ነዚ ምግባር ድማ \"ይውሕድ እምበር ዝበዝሕ ኣይኮነን\" ኢሉ። በቲ ስራሕ ከምዝሕበን ብምግላጽ ድማ \"ብግፍዒ ንዝተበደለን ካብ መሬቱ ብግፍዒ ንዝተፈናቐለን ሓረስታይ ምኽሓስ ዘሕብን እዩ!\" ክብል መርገጺኡ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ኣብ ፌስቡክ ዝጠቅዖ መልእኽቲ: ኤዜማ ዝብል ስም ውድብ ፖለቲካ እንተዘየልዓለ'ኳ \"ንዋላ ሓደ መዓልቲ ብዛዕባ'ቶም ብግፍዒ ዝተፈናቐሉ ሓረስቶት ተገዲሱ ዘይፈልጥ ጉጅለ ሎሚ ጉድኣት ሓረስቶት ንፖለቲካዊ ረብሕኡ ከውዕሎ ምርኣይ ዘሕዝን እዩ\" ኢሉ። ብብርሃኑ ነጋ ዝምራሕ ውድብ: ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ)፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 200 ሽሕ ካሬ ሜትር መሬት ብውራ ከምዝተትሓዘ ብዝገበርኩዎ መጽናዕቲ ኣረጋጊጸ ኢሉ። እቲ ውራ መሬት 'ሰብ መዚ መንግስቲ'ውን ዝተሳተፍዎ እዩ' ዝበለ ኢዜማ፡ እዚ ድማ ንምክልኻሉ ኣጸጋሚ ገይርዎ ኣሎ ኢሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ውራ መሬት ሓድሽ እኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ግን ተራእዩ ብዘይፍለጥ መጠን: ውራ መሬት ተስፋሕፊሑ ምህላዉ እዩ እቲ ፖለቲካዊ ውድብ ዝገልጽ። \"[ውራ መሬት] ኣብ ኣዲስ ኣበባ በዚ ደረጃን ቅልጣፈን ዝተስፋሕፈሓሉ እዋን ኣይነበረን\" ይብል ኢዜማ ኣብ'ቲ ብደቂቕ ኣካይደዮ ዝበሎ መጽናዕቲ። ብዛዕባ'ዚ፤ መልሲ ንምርካብ ናብ ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ቴለፎን ደዊልና ነይርና፡ ኣይሰመረን። ካብቶም ብውራ ተታሒዞም ዝበሎም ቦታታት \"ንጥዕና፡ ትምህርትን ንሓምለዋይ ልምዓትን ክውዕሉ ተሓዚኦም ዝጸንሑ ቦታታት\" ከምዝርከብዎም እቲ መጽናዕቲ ይሕብር። \"ምምሕዳር ናይ'ታ ከተማ እናረኣየን እናሰምዐን ብዘይ ሕጋዊ መገድን ብዝተወደበን መልክዑ፡ ብውራ ዝተትሓዘ መሬት ብቕልጡፍ ካርታን ፕላንን ተሰሪሑሉ ብመሸጣ ናብ ሳልሳይ ወገን ሓሊፉ እዩ። ብውልቀን ብማሕበርን ንመፍረዪን ንኣገልግሎት ንግዲን ክውዕል ተገይሩ፡ ብዝኾነ መለክዒ ናይ ገዛ ተረባሕቲ ክኾኑ ዘይግበኦም ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ድማ ቦታን መለለዪ ወረቐትን ተዋሂብዎም\" ድማ ይብል። ኢዜማ ከምዝብሎ፡ እቲ ውራ መሬት፡ ሰብመዚ መንግስቲ \"ቀንዲ ተሳተፍቲ\" ዝነበርሉ እዩ። \"ኣብ ስልጣን ዘለዉ መራሕቲን ኣካላት ፍትሕን ልዑል ኣበርክቶ ነይርዎም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ'ቲ ጉዳይ ቀንዲ ተዋሳእቲ እዮም። ዝደልዩዎም ሰባትን ጉጅለታትን መሬት ክወርሩ ኣጣጢሖም፡ ምስ ውልቀሰባት ተመሳጢሮም ድማ ባዕሎም ወረራ ፈጺሞም\" ክብል ይኸስስ። ውድብ ኢዜማ ኣብ ሓሙሽተ ክፍላተ-ከተማ ብዝገበሮ መጽናዕቲ፡ 212,600 ካሬ ሜትር መሬት ከምዝተወረረ ኣረጋጊጸ እ ይብል። ንሳቶም ድማ፡ - ኣብ ንፋስ ስልክ ላፍቶ፡ 88,100 ካሬ ሜትር - ኣብ የካ፡ 63,000 ካሬ ሜትር - ኣብ ቦሌ፡ 15,000 ካሬ ሜትር - ኣብ ኮልፌ ቀራኒዮ፡ 23,600 ካሬ ሜትር - ኣብ ኣቃቂ ቃሊቲ ፡ 23,000 ካሬ ሜትር እቲ ውድብ ወሲኹ፡ ካብ ውራ መሬት ብተወሳኺ፡ ናይ ሓባር መንበሪ ኣባይቲ (ኮንደሚንየም) ዘይፍትሓዊ ዕደላ ይካየድ ኣሎ ይብል። \"ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዘይፍትሓዊ መገዲ፡ ኮንደሚንየም ንዘይግበኦም ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ይህብ ከምዘሎ ኣረጋጊጽና ኢና\" ኢሉ። \"ብፍላይ እቲ ሕዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ምምሕዳር ከተማ\" ኢሉ ዝጠቅስ እቲ መጽናዕቲ፡ ዕጻ ኣውዲቑ ንዕድለኛታት ከከፋፍል ምዃኑ እኳ እንተገለጸ \"ውሽጢ ንውሽጢ ንናይ ባዕሎም ኣባላት፡ ሹመኛታትን፡ ንዘይፍለጡ ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ተዓዲሉ እዩ ክብል ከሲሱ። \"ሰራሕተኛታት ክልል ኦሮሚያ፡ ቅድም ክብል ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዙርያ ኣዲስ አበባን 'ኮንደሚንየም' ከምዝተዓደሉ ይፍለጥ እዩ። ሕዚ ድማ ዳግም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮንደሚንየም ይዕደሎም ኣሎ\" ኢሉ። ኣብ'ቲ ናይ ኢዜማ መጽናዕቲ፡ ናይ መንግስቲ መልሲ ኣይተኻተተን። ንምምሕዳር እቲ ከተማን ቤት ጽሕፈት ከንቲባን መብርሂ ሓቲቶም መልሲ ከምዘይረኸቡ እዮም ዝገልጹ።","category":"ኣዲስ ኣበባ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53987512"} {"headline":"መረጻ ቤት ምኽሪ ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ንቐጻሊ ዓመት ተናዊሑ","content":"መረጻ ቤት ምኽሪ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ከምኡ ድማ ከባብያዊ መረጻ፡ ምስ ሃገራዊ መረጻ ክካየድ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዝገበሮ ህጹጽ ኣኼባ ወሲኑ። መረጻ ቤት ምኽሪ ክልቲአን ከተማታት ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ኣብ 2011 ክካየድ ዝግበኦ እኳ እንተነበረ፤ ንሎሚ ዓመት ክካየድ እዩ ተናዊሑ ነይሩ። እንተኾነ፤ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ በቲ ዝተትሓዘሉ መደብ ከካይዶ ከምዘይክእል ብምግላጽ ምስ ሃገራዊ መረጻ ክካየድ ብደብዳቤ ብምሕታቱ እዩ እዚ ውሳነ ብባይቶ ኢትዮጵያ ጸዲቑ ዘሎ። ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ 4 ሓምለ ናብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳቤ፡ መረጻ ክልቲኡ ኣብያተ ምኽሪ ሎሚ ዓመት ክካየድ ከምዘይክእል ጠቒሱ እዩ። ከም ምኽንያት ዘቕረቦ ድማ፡ ኣፈጸምቲ መረጻ ንምምልማል፣ ንምውዳብን ንምስልጣንን ግዜ ይሓጽር እዩ ዝብል እዩ። ብመሰረት እቲ ውሳነ ድማ፤ እቲ ሕዚ ዘሎ ቤት ምኽሪ ክልቲአን ከተማታት ሓላፍነቱ ሒዙ ክቕጽል እዩ። እቲ ኣብ 2010 ክካየድ ዝነበሮ መረጻ ቤት ምኽሪ ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን፤ ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ዘጋጠመ ቅልውላው እዩ ንሎሚ ዓመት ክካየድ ተናዊሑ ነይሩ።","category":"ኣዲስ ኣበባ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49176964"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣጋጢሙ'ዶ ነይሩ?","content":"ትማሊ ሰኑይ [11 ጥቅምቲ 2012 ኣ.ኢ] ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምንቅጥቃጥ መሬት ከምዘጋጠመ ዝገልጹ ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ተዘርጊሖም ኣለዉ። 'ኣፍሪቃ ኢንስቲትዩት' ዝተበሃለ ሓደ ትካል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምንቅጥቃጥ መሬት ተኸሲቱ ከምዝነበረ ዘአንፍት ሓበሬታ ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ኣውጺኡ ነይሩ። ግን ኣብ ኢትዮጵያ ኮነ ኣዲስ ኣበባ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣጋጢሙ ነይረ'ዶ ይኸውን? ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጂኦፊዚክስ፣ ሳይንስ ኣስትሮኖሚን ዶክተር ኣታላይ ኣየለ፡ ኣብ ምንቅጥቃጥ መሬት መጽናዕቲ የካይድ'ዩ። ንሱ ከምዝበሎ፡ ብመሰረት ካብ ፉሪ [ካብ ኣዲስ ኣበባ ውጽእ ኢሉ ዝርከብ ቦታ] ከምኡ'ውን ኣብ ከባቢ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ዘለዉ ሓሙሽተ ጣብያታት ዝተረኸበ መረዳእታ ኣብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ሜኢሶ ዝተበሃለ ከባቢ ምንቅጥቃጥ ኣጋጢሙ እዩ። \"ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ብሰንኪ እቲ ኣብ መኢሶን ዝተፈጠረ ምንቅጥቃጥ'ዩ ንዝረት ተሰሚዕዎም\" ክብል ኣረዲኡ። ኣብ ከባቢ ሜኢሶ 5 ሬክተር ስኬል ዝዕቀን ምንቅጥቃጥ፤ ንጉሆ ሰዓት 12 [06፡00] ከምዘጋጠመ ገሊጹ። \"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዉ ሰባት'ውን ክስምዖም ይኽእል'ዩ፤ ብፍላይ ኣብ ዓበይቲ ህንጻታት ዝጸንሑ ሰባት ብዝያዳ ክፍለጦም ይኽእል'ዩ። ብሬክተር ስኬል [መዕቀኒ ምንቅጥቃጥ መሬት] 5 ማለት ጉድኣት ዘብጽሕ ኣይኮነን\" ኢሉ። ብፍላይ ኣብ ኣዋሽንን ኣሰበ-ተፈሪን ብጣዕሚ ከምዝተሰምዐ ዘዘኻኸረ እቲ ተመራማሪ፡ ኣዲስ ኣበባ ድማ ንሓጓፍ ሽንጥሮ ዝቐረበት ብምዃና ከምዚኦም ዝበሉ ክስተታት ክስምዕዎ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ። እዚ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ንነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ክስምዖምን ከሰንብዶምን ከሎ ንፈለማ እዋን ከምዘይኮነ ድማ ተዛሪቡ። \"ብ2009 ኣ.ኢ ኣብ ኣንኮበር ዝተኸሰተ 4.7 ሬክተር ስኬል ዝዕቀን ምንቅጥቃጥ፡ ንነበርቲ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባብታትን ንዝረት ተሰሚዕዎም'ዩ\" ክብል ኣዘኻኺሩ። ኢትዮጵያ ብ1953 ዘጋጠማ ምንቅጥቃጥ መሬት እቲ ዝዓበየ ኮይኑ ተመዝጊቡ ይርከብ። እቲ ካራቆሬ ኣብ ዝተበሃለ ከባቢ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ብሬክተር ስኬል 6.5 ነይሩ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ድማ 30 ሰባት ሞይቶም።","category":"ኣዲስ ኣበባ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51186541"} {"headline":"ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ሎሚ ጀሚሩ መለለዪ መንነት (ታሴራ) ምሃብ ተቛሪጹ","content":"ኣብ ከተማ ኣዲስ አበባ ካብ ሎምመዓልቲ ጀሚሩ ናይ ነባርነት መለለዪ ወረቐት (ታሴራ) ምሃብ ደው ከምዝበለ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣፍሊጡ፡፡ በዚ መሰረት ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ኩሎም ናይ ወረዳ ምምሕዳራት፡ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ብዝተሓሓዝ ወረቐት መለለዪ መንነት ምሃብ ደው ከምዘበሉ ተገሊጹ፡፡ ምኽንያት እቲ ውሳነ ድማ ብዝተፈላለየ መገዲ ናታ ከተማ ዝኣትዉ ‘‘ጸጉረ ለወጥን ሰሊኾም ዝኣትዉን ንምክልኻል’’ ከምኡ ድማ ድሕነት ንምሕላውን ከምዝኾነ ካብ ፕረስ ሰክረተሪ ምምሕዳር እታ ከተማ ዝወጸ መግለጺ ሓቢሩ፡፡ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ካብ 23 ጥቅምቲ 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ጀሚሩ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተግባራዊ ዝኸውንን ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕን ኣዋጅ ህጹጽ ግዘ ምእዋጁ ይዝከር፡፡ እቲ‘‘ኣብ ልዕሊ ሃለዋትን ሉእላውነትን ሃገር ንዘጋጠመ ሓደጋ ንምክልኻል ዝወጸ ኣዋጅ ቁጽሪ 5\/2014’’ ብዝብል ዝወጸ ድንጋገታት ህጹጽ እዋን፡ ዝተፈላለዩ ክልከላታትን ግዴታታትን ዝሓዘ ኮይኑ፡ ካብዚኦም እቲ ሓደ ኩሎም ዜጋታት መንነቶም ዝገልጽ ሕጋዊ ወረቐት ክሕዙ የገድድ፡፡ በዚ መሰረት ኩሉ ዜጋ ኣብ ዝኾነ ቦታ ናይ ቀበሌ መለለዪ መንነት፣ መዘወሪ ፍቓድ፣ ናይ ስራሕ መለለዪ፣ ፓስፖርት ወይ ምስዚኦም ዝመሳሰል መለለዪ ወረቐት ሒዙ ክንቀሳቐስ የገድድ፡፡ እቲ ኣዋጅ ወረቐት መለለዪ መንነት ዘይብሎም ሰባት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቀበሌ፣ ወረዳ፣ ምምሕዳር ወይ ጣብያ ፖሊስ ተመዝጊቦም ጊዝያዊ ወረቐት መንነት ናይ ምሓዝ ግዴታ ከምዘለዎም ደንጊጉ፡፡ ካብ ሎምመዓልቲ ጀሚሩ ወረቐት መለለዪ መንነት ምሃብ ደው ዘበለ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ እውን፡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት መለለዪ መንነት ዘይወሰዱ ሰባት፡ ብፍሉይ ኣገባብ ብዝምልከቶ ኣካል ተጻርዩን ተረጋጊጹን ጊዝያዊ መለለዪ መንነት ከምዝዳለወሎም ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት እናሓየለ ምምጽኡ ስዒቡ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈላለዩ ናይ ድሕነት ስጉምቲታት ይወስድ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ፡፡ ናይ ውልቀ ዕጥቂ ዘለዎም ሰባት ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ከመዝግቡ፡ መሳርሒ ኲናት ዘየመዝገቡ ግና ስጉምቲ ከምዝውሰዶም ሰብመዚ እታ ከተማ ትማሊ ምግላጾም ይዝከር፡፡","category":"ኣዲስ ኣበባ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59153690"} {"headline":"ሓላፊ ቢሮ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን ሙሉቀን ሃፍቱ ናይ ዘይምኽሳስ መሰሉ ተላዒሉ","content":"ኣባል ቤት ምኽሪ ኣዲስ ኣበባን ሓላፊ ቢሮ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን እታ ከተማ ሙሉቀን ሃፍቱ (ዶ\/ር) ናይ ዘይምኽሳስ መሰሉ ተላዒሉ። ባይቶ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ ኣባሉ ሙሉቀን ሃፍቱ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ንክለዓል ዝወሰነ፡ ካብ ሚኒስትር ፍትሒ ብመሰረት ዝቐረበሉ ሕቶ ስዒቡ እዩ። ሙሉቀን ሃፍቱ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ዝወፅአ ዕጫ ሓባራዊ መንበሪ ኣባይቲ ብዝዛመድ ብገበን ብልሽውና ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ንክውዕል እዩ እዚ ናይ ምኽሳስ መሰል ተላዒሉ ዘሎ። ሙሉቀን ሃፍቱ ቅድሚ ክልተ መዓልታት እዩ ካብ ሓላፍነቱ ተኣልዩ። ኣባላት ባይቶ ተወከልቲ ህዝብን ናይ ኩለን ክልላት ቤት ምኽሪን ፡ ብትሕዞ ገበን እንተዘይዀይኑ፡ ኣብ ቀይዲ ናይ ዘይምውዓልን ናይ ዘይምኽሳስን  መሰል ኣለዎም። ኣባላት ባይቶ ብገበን እንትጥርጠሩ ናይ ዘይምኽሳስ መሰሎም ክለዓል ዝገብር እቲ ዝተወከለሉ ቤት ምኽሪ እዩ። ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ቡዜና ኣልቃድር፡ ሚኒስትር ፍትሒ ዝለኣኾ ደብዳበ ናብቲ ባይቶ ኣቕሪባ። እቲ ሚኒስትር፡ ሙሉቀን ሃፍቱ ስልጣኑን ሓላፍነቱን ብዘይኣግባብ ብምጥቃም ብገበን ብልሽውና ተጠርጢሩ፡ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ ምርመራ ክግበርን ናይ ዘይምኽሳስ መሰሉ ንክለዓልን እዩ ሓቲቱ። ነዚ ሕቶ ስዒቡ ድማ፡ ቤት ምኽሪ እቲ ከተማ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ፡ ናይ ሙሉቀን ሃፍቱ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ተቐንጢጡ።","category":"ኣዲስ ኣበባ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cy696dvwl49o"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ መርዑት ምስ ክልተ ኣዕሩኽ ዝተረኸቡሉ ስነስርዓት መርዓ ኣብ ኢትዮጵያ","content":"እቲ ስነስርዓት መርዓ ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እዩ ተፈጺሙ። ብምኽንያት ስግኣት ኮሮናቫይረስ ድማ መርዑት ምስ ክልተ ኣዕሩኽቲ ጥራይ ተረኺቦም። መርዑት ሙለታ ጉልሜሳን እመቤት ምስጋናን ይበሃሉ። ስነስርዓት መርዕኦም ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ተኻይዱ። \"ኣብ ወርሒ ግንቦት ንምፍጻም ኢና ተሊምና ነይርና። ኩነታት እዚ ሕማም ብምርኣይ ድማ ክነሕጽሮ ወሲንና። ልዕሊ ኣርባዕተ ሰባት ከይተኣኻኸቡን መርዓ ከይፍጸምን ተኸልኪሉ እዩ ዘሎ\" ይብል መርዓዊ ሙለታ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል። ወሲኹ ድማ \"ነዚ ሕጊ ከይጠሓስናን መንግስቲ ንዘውጽኦ መምርሒ ተኸቲልናን ኣርባዕተ ሰባት ብምዃን ፈጺምናዮ። ኣነን መርዓተይን ካልኦት ክልተ ድማ ሓደ ናተይ ሓደ ድማ ናታ ኣዕርኽቲ ብምግባር መርዓና ብኣርባዕተ ሰብ ኣካይድና\" ክብል ነቲ ዝነበረ ኩነታት ገሊጹ። እቲ ስነስርዓት መርዓ ሓደ ቐሺ ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ቤተክርስትያን መካነ የሱስ'ዩ ተፈጺሙ። ንሱ \"ነቶም ቀሺ ሓዊስካ ብሓሙሽተ ሰባት ጥራይ ምክያዱ ፍልይ ዝበለ እዩ\" ይብል ብውሳንኦም ከምዘይጠዓሱ ንምርዳእ። መርዓ ክትሓስብ ከለኻ ብዝሒ ዕዱማት ኣብ ቅድሚት ዝመጽእ ጉዳይ እዩ። ሙለታ'ውን በዚ ሓሳብ ይሰማማዕ። \"ንሕና'ውን ካብ 70 ክሳብ 100 ሰባት ኣብ መርዓና ክርከቡ ብትልሚ ሒዝናዮ ነይርና\" ኢሉ። \"ንወለድና፣ ኣዝማድናን መሓዙትና 'ኣብ መርዓና ኣይትምጽኡ፤ ከምዚ ንብለኩም ዘለና ድማ ስለንፈትወኩም እዩ' ኢልናዮም ኢና\" ይብል። ኮሮናቫይረስ ክመሓላለፍ ካብ ዝኽእልዎ መገዲታት እቲ ሓደ፡ ምትእኽኻብ ሰባት ከምዝኾነ ይዛረብ እቲ መርዓዊ። \"ንሕና ናትኩም ስለዝኾንና ጽባሕ ኮሮናቫይረስ ምስሓለፈ ክንራኸብ ኢና፤ ሓጎስና ግን በብዘለኹምሉ ኮይንኩም ተኻፈሉ' ኢልና ኣእሚንናዮም\" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ። ወለዶም ኣብቲ ዕለት መርዓ ክርከቡ ብጣዕሚ ሃንቀውታ ከምዝነበሮም ግን ኣይሓብአን። \"ንወለድና ይቕሬታ ሓቲትናዮም ኢና። ተስማዕሚዕና ኢና ነዚ ፈጺምና\" ኢሉ። መርዓዊ ሙለታ ጉልሜሳን መርዓት እመቤት ምስጋናን ዝተኸደንዎ ክዳን መርዑት ኣብቲ ቤተክርስትያን ብምውጻእ ጉዳዮም ፈጺሞም ልክዕ ከም ካልእ እዋን ኮይኖም'ዮም ናብ ገዝኦም ተመሊሶም።","category":"ኣዲስ ኣበባ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52494606"} {"headline":"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሰንኪ ከቢድ ዝናብ ህይወት ሸውዓተ ሰባት ሓሊፉ","content":"ትማሊ ሰሉስ፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝወቕዐ ከቢድ ዝናብ ስዒቡ፡ ናይ ሸውዓተ ሰባት ህይወት እንትሓለፍ፡ ሃለዋት ሓንቲ ሰበይቲ ዛጊድ ኣይተፈልጠን። እቲ ሓደጋ፡ ብልሙድ መካነ እየሱስ ሴሚናሪ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ኮሌጅ ቀጽሪ እዩ ኣጓኒፉ። ሓላፊ ሚድያን ጉዳያት ሕግን እቲ ኮሌጅ፡ ኣቶ ኣሴር ሰይፉ፡ ትማሊ ሰዓት ዓሰርተ ኣቢሉ [ብኣቆጻጽራ ግእዝ] ብጥቓ እቲ ኮሌጅ ዝሓልፍ ሩባ መካኒሳ መሊኡ፡ ሓጹር እቲ ኮሌጅ ኣፍሪሱ ምስኣተወ እዩ፡ እቲ ሓደጋ ከምዝበጽሐ ንቢቢሲ ገሊጹ። ንሱ ወሲኹ፡ በቲ ሓደጋ ህይወቶም ዝሓለፈ ሰባት፡ እቲ ሓደጋ እንተጓንፍ፡ ኣብ መንበሪ ገዘኦም ከምዝነበሩን፡ ናይ ሓደጋ እዋን ሰራሕተኛታት፡ እታ ሃለዋታ ዘይተፈልጠ ንምርካብ ኣብ ኣለሻ ከምዝርከቡ ተዛሪቡ። ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ፡ ኣዳነች ኣቤቤ፡ መካነ እየሱስ ሴሚናሪ ዝርከበሉ ጀርመን ኣደባባይ፣ ኣደይ ኣበባ ጎልፍ ክለብን ተባሂሎም ዝፍለጡ ከባብታት ሓደጋ ውሕጅ [ዕልቕልቕ] ከምዝገጠሞምን ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከምዘብጸሐን ኣብ ትዊኡተር ገጻ ኣስፊራ። እቲ ሓደጋ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ቐጽሪ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ መምህራንን ካልኦት ሰራሕተኛታትን ከምዝኾነ ዓቕሚ ዝረኸቡ ናብ ዝባን ቆርቖሮ ወጺኦም ህይወቶም ከትርፉ ከምዝኸኣሉን፡ ሓላፊ ሚድያን ሕግን’ቲ ኮሌጅ፡ ኣቶ ኣሴር ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ኣብቲ ኮሌጅ ሓደርቲ ዝኾኑ ኣስታት 300 ዝኾኑ ተምሃሮ እንተሃለዉ’ኳ፡ እቲ መንበሪኦም ኣብ በሪኽ ቦታ ብምዃኑ ጉድኣት ከምዘይበጽሖም’ውን ወሲኹ ገሊጹ። ኣብ ልዕሊ ኣብ ውሽጢ እቲ ቀጽሪ ዝነበሩ ተሽከርከርትን ካልኦት ንብረትን’ውን ከቢድ ጉድኣት ከምዝወረደ ሓቢሩ። “ቅድሚ ሕዚ ተመሳሳሊ ሓደጋ ኣጓኒፉ እንተነበረ’ኳ፡ እቲ ናይ ሕዚ ግን ኣዝዩ ዝኸፍአን ህይወት ሰባት ዝመንዘዐን እዩ” ድማ ኢሉ። ሰራሕተኛ እቲ ኮሌጅ ዝኾነ ሲማ ጉደታ መንበሪ ገዛ ሰራሕተኛታት በቲ ውሑጅ'ኳ እንተዕለቕለቐ ንሱን ሓፍቱን ግን ብህይወት ክተርፉ ከም ዝኽኣሉ ሓቢሩ።\"ሰለስተ ኣባይቲ ሓደጋ ክበጽሖም እንከሎ፡ ካብ ሓደ ገዛ ሓሙሽተ ሰባት ሞይቶም፤ ካብቲ ካልኣይ ገዛ ድማ ቖልዓ ሓደ ዓመትን ሓደ ወርሕን ህጻን ምስ ሓብሓቢቱን ህይወቶም ሓሊፉ፤ ካብቲ ሳልሳይ ገዛ ከኣ ቖልዓ 10 ዓመት ሞይታ\" ኢሉ። እቲ ኮሌጅ፡ ኣብ ምሕደራን መሪሕነትን ኣትኲሩ ስልጣና ብምሃብ ዝፍለጥ ማእከል ኮይኑ፡ ልዕሊ ዕስራ ዓመታት ዘቑጸረ፡ ቤት ትምህርቲ ሙዚቃ ጃዝ መካነ እየሱስ’ውን ኣካል እዚ ኮሌጅ ምዃኑ ይዝረብ። ሕዚ’ውን ትንቢታት ኣየር ጸባይ፡ ኣብታ ከተማ ከቢድ ዝናብ ከምዝወቅዕ ዘመልክቱ ኮይኖም፤ ነበርቲ ቅድመ-ጥንቃቐ ክገብሩ ከምዘለዎም ይሕተቱ።","category":"ኣዲስ ኣበባ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58260422"} {"headline":"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብኣሰቃቒ ኩነታት ንክልተ ኣሕዋት ህጻናት ብምቕታል ዝተጠርጠረት ሰራሕተኛ ገዛ ኣብ ቀይዲ ኣትያ","content":"ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ክልተ ኣሕዋት ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ድሕሪ ምቕታሎም፡ ሰራሕተኛ ገዛኦም በቲ ቕትለት ተጠርጢራ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወት ፖሊስ ኣፍሊጡ። እቲ ገበን፡ ኣብ ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ ኣራብሳ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓባራዊ መንበሪ ኣባይቲ [ኮንደሚንየም] ዘጋጠመ ምዃኑ ሓበሬታ ፖሊስ ብተወሳኺ የመልክት። ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ \"ኣዝዩ ዘሰቅቕ\" ዝበልዎ ገበን ቅትለት ዝተፈጸሞም ህጻናት ቈልዑ፡ ክልተን ሰለስተን ዓመት ዝዕድመኦም ሓውን ሓፍትን እዮም። ምኽትል ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ፖሊስ እታ ከተማ ኮማንደር ማርቆስ ታደሰ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ኣዝዩ ዘሕዝንን ዘስካሕክሕን” ብዝተባህለ ገበን ዝተጠርጠረት ውልቀሰብ፡ ጓል 19 ዓመት ሰራሕተኛ ናይቲ ገዛ እያ ኢሉ። እታ ውልቀሰብ፡ ነቲ ገበን ከም ዝፈጸመት ብምእማን ኢዳ ንፖሊስ ከም ዝሃበት’ውን ሓቢሩ። እቲ ገበን፡ ትማሊ [26 ነሓሰ 2014 ዓ.ም] ረፋድ ካብ ሰዓት 3፡30 ክሳብ 4፡00 [ማለት 9፡30-10፡00] ኣብ ዘሎ ግዜ እዩ ተፈጺሙ ዝብል ኮማንደር ማርቆስ፡ እታ ጥርጥርቲ ነቶም ህጻናት ሓኒቓን ካራ ተጠቒማን ብኣሰቃቒ ኵነታት ከም ዝቐተለቶም ዘመላኽቱ ግምታት ኣለው ኢሉ። እታ ውልቀሰብ፡ ነቲ ገበን ንምፍጻም ምኽንያት ዝዀና ነገር ንምፍላጥን ኵነታት ጥዕና ኣእምሮኣ ንምግንዛብን መርመራታት ይግበሩ ከም ዘለው’ውን ሓቢሩ። ብመሰረት ፖሊስ ዝኣከቦ ዘሎ ሓበሬታ ግን፡ እታ ጥርጥርቲ ምስ ስድራ እቶም ቈልዑ ዝዀኑ ኣስራሕታ ዝተፈጥረ ጐንጺ፡ ምኽንያት እቲ ገበን ክኸውን ከም ዝኽእል የመልክቱ። “ምንም ኣብ ልዕሊ ዘይፈልጡ ህጻናት ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ገበን የሕዝን’ዩ” ዝበለ እቲ ኮማንደር፡ ወለዲ መንነትን ኵነታትን ዝቘጽርዎም ሰራሕተኛታት ገዛ ብጥንቃቐ ክፈልጡ ከም ዝግባእ ኣዘኻኺሩ። “ከም ቤተሰብ ኰይነን ዝሰርሓ ሰራሕተኛታት ኣለዋ እየን፤ እንተዀነ ከምዚ ዓይነት ገበን ዝፍጽማ ኸኣ ስለ ዘለዋ፡ ሕብረተሰብ ጥንቃቐ ክገብር ኣለዎ”  ክብል ተዛሪቡ። ፖሊስ ኣብዚ ጉዳይ ተወሳኺ መርመራ ይገብር ከም ዘሎ ተፈሊጡ።","category":"ኣዲስ ኣበባ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cj73n8r1zklo"} {"headline":"እስክንድር ነጋ ዝመርሖ ቤት ምኽሪ \"ባለ ኣደራ\" ዝወደቦ ሰልፊ ክስርዝ ከም ዝተገደደ ገሊጹ","content":"ቤት ምኽሪ ባለኣደራ ኣዲስ ኣበባ' ብዝብል ስም ዝፍለጥ ምንቅስቓስ፡ ንሰንበት 2 ጥቅምቲ\/ 13 ጥቅምቲ 2019 ከካይዶ መደብ ዝሓዘሉ ሰላማዊ ሰልፊ ክስርዝ ከም ዝተገደደ ገሊጹ። ኣቦ መንበር ናይቲ ቤት ምኽሪ እስክንድር ነጋ ኣብ ትዊተሩ ከም ዝገለጾ፡ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ እቲ ሰልፊ ከይካየድ ስለ ዝኸልከለ እዩ እቲ መደብ ተሰሪዙ። ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሰንበት ኣብታ ከተማ ዝካየድ ዝኾነ ሰልፊ ይኹን፡ ህዝባዊ ኣኼባ ከም ዘይህሉ ምግላጹ ዝዝከር እዩ። ድሕሪ እዚ፡ እቲ ቤት ምኽሪ፡ ህጹጽ ኣኼባ ድሕሪ ምግባር \"ንሰላም እታ ሃገርን ንውሕስነት ህዝባን ቀዳምነት ብምሃብ እቲ ሰልፊ ተሰሪዙ'ሎ\" ኢሉ። ትማሊ ቀዳም፡ ብዙሓት ኣባላት 'ቤት ምኽሪ ባለኣደራ' ከም ዝተኣሰሩ እስክንድር ነጋ ንቢቢሲ ተዛሪቡ እዩ። ካብ ኣወሃሃድቲ ናይቲ ሰልፊ ሓደ ዝኾነ ናትናኤል ያለምዘውድ፡ ሰባት ናብቲ ሰልፊ ንክመጽኡ ከጓሳጉስ ኣብ ዝወጽአሉ፡ ብቀዳም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ 'ፒያሳ' ከም ዝተኣሰረ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። \"ሰልፊ ከም ዘየለን ዓሪፍና ኮፍ ክንብልን ነጊሮም ምሸት ፈቲሖምና\" ድማ ኢሉ። ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ነቲ ሰልፊ ከም ዝኸልከሎን፡ ጎስጓስ ክገብር ከም ዘይክእል ከም ዝተሓበሮ እውን ናትናኤል ይዛረብ። ካብቶም መርመርቲ እቲ ሓደ \"ንናትካ ውሕስነት ክንብል ኢና ኣሲርናካ\" ከም ዝበሎ እውን ንቢቢሲ ገሊጹ። 'ብናትኩም ሰልፊ ዝተቖጥዑ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝመጽኡ ሰባት፡ ጉድኣት ከብጽሕልኩም ስለ ዝሃቀኑ ንናትኩም ውሕስነት ኢና ሒዝናኩም' ከም ዝበልዎ ዝተዛረበ ናትናኤል \"ሓበሬታ እንተሃልዩኩም፡ ነቶም ጉድኣት ከብጽሑ ዝመጽኡ ሰባት ዘይትሕዝዎም?\" ዝብል ምላሽ ከም ዝሃበ ተዛሪቡ። ኣብቲ ንሱ ተኣሲርሉ ዝነበረ ኣብ ፒያሳ ኣብ ጥቓ ሆቴል ጣይቱ ዝርከብ መደብር ፖሊስ፡ ኣስታት ዕስራ ዝኾኑ ሰባት ብተመሳሳሊ ምኽንያት ተኣሲሮም ምንባሮም፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዝተቐየዱ ኣባላቶም ከም ዝነበሩ'ውን ይዛረብ። ንዕኡ ሓዊሱ፡ መብዛሕተኦም ካብቶም ዝተኣሰሩ፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ትማሊ ምሸት 2 ጥቅምቲ ሰዓት ኣርባዕተ ከም ዝተፈትሑ ሓቢሩ። ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ እዚ ማእሰርቲ፡ ዛጊድ ዝሃቦ ሓበሬታ የለን። እቲ ቤት ምኽሪ፡ ኣብ 'መስቀል ኣደባባይ' ሰልፊ ዝጸውዐ \"እቲ ተስፋ ተገይርሉ ዝነበረ ጅማሮ ስርዓት ዴሞክራሲ ስለ ዝተጨወየ\" ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ። ቅድሚ ሕዚ ብዝተፈላለዩ መገድታት ድምጾም ከም ዘስምዑ ዝገለጸ እስክንድር ነጋ፡ ሰማዒ ስለ ዝሰኣኑ ግን ነቲ ሰልፊ ክጽውዑ ከም ዝተገደዱ ገሊጹ ነይሩ። ድሕሪ እቲ ሰልፊ ፍታሕ እንተዘይረኺቦም ድማ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ጽዕንቶ ንምሕዳር፡ ከም ስራሕ ደው ናይ ምባል ዝኣመሰሉ ኣድማ 'ስልትታት ቃልሲ' ከም ዝኣትዉ ገሊጹ እዩ።","category":"ኣዲስ ኣበባ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50031889"} {"headline":"ኣብ ባህርዳር ብዝተገበረ መጥቓዕቲ ዝተወግአ ኣኽባሪ ሕጊ እቲ ክልል፡ ኣቶ ምግባሩ ከበደ ሞይቱ","content":"ብቀዳም 22 ሰነ 2019 ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ኣምሓራ ዝኮነት ከተማ ባህርዳር ብዝተኻየደ መጥቐቃዕቲ፡ በቲ መጥቓዕቲ ተወጊኡ ኣብ ሆስፒታል ክእለ ዝጸንሐ ኣኽባሪ ሕጊ እቲ ክልል ኣቶ ምግባሩ ከበደ ሎሚ ሞይቱ። ብቀዳም ኣብ ከተማ ባህርዳ ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ፡ ላዕለዎት ሰብ መዚ እቲ ክልል ኣብ ኣኬባ ኣብ ዝነበርሉ መጥቓዕቲ ስለ ዝወረዶም፡ ፕረዝደንት እቲ ክልልን ምክትሉን ሽዑ ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣኽባሪ ሕጊ እቲ ክልል ኣቶ ምግባሩ ከበደ ከኣ ኣብ ሆስፒታል ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ከምዝዓረፈ መደብር ተሌቪዥን ኣምሓራ ኣቓሊሓ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተፈጸመ 'ፈተነ ዕልዋ' ዝተብሃለሉ መጥቓዕቲ፡ ፕረዚደንት እቲ ክልል ዶክተር ኣምባቸው መኮንን ኣማካሪኡ እቶ እዘዝ ዋሴን ኣብ ባህርዳር ክቕተሉ እንከለዉ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድማ ኢታ ማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ሰዓረ መኮነንን ላዕለዋይ ወተሃደራዊ መኮንን ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ከም ዝተቐትሉ ይዝክር።","category":"ኣዲስ ኣበባ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48743569"} {"headline":"ኣዲስ ኣበባ፡ ኩሎም ተምሃሮ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ 'ዲቪዛ' ብነጻ ከም ዝዕደሉ ተገሊጹ","content":"ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከባ ልዕሊ 400 መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ዝመሃሩ ከባቢ 600 ሽሕ ተመሃሮ፡ 'ዲቪዛ' [ክዳን ተምሃሮ]፣ ደፍተርን ካልኦት ናውቲ ትምህርትን ብናጻ ከም ዝዕደሎም ምምሕዳር ናይታ ከተማ ኣፍሊጡ። \"ጽርየት ትምህርቲ ንምምሕያሽ ብምዕላም፡ ምክትል ከንቲባ ናይታ ከተማ ታከለ ኡማ (ኢንጂነር) ዘበገስዎ ሓሳብ'ዩ\" ክትብል ናይ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ፕሬስ ሴክሬታሪ ፌቨን ተሾመ ንቢቢሲ ተዛሪባ። ሸኽሚ ስድራ ናይቶም ኣብ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ዝመሃሩ ተመሃሮ ንምፍኳስን፡ ጸገሞም ንምክፋልን ብምሕሳብ ናብቲ ውሳነ ከም ዝተበጸሐ ሓቢራ። በዚ መሰረት ምሉእ ወጻኢኡ ብምምሕዳር ከተማ ዝሽፈን ኣርባዕተ ዓይነት ዲቪዛ (ዩኒፎርም ተምሃሮ) ተዳልዩ ብነጻ ክዕደል'ዩ። እዚ ድማ ንኣጸደ ህጻናት፣ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ፣ ካብ ሓምሻይ ክሳብ ሻምናይ ከምኡ'ውን ንኻልኣይ ደረጃ ብዝብል ከም ዝተመቐለ እታ ፕረስ ሴክረታሪ ኣረዲኣ። ፌቨን \"ኣብዛ ከተማ ንዝርአ ዝተሓዋወሰ ክዳን ተምሃሮ ምዕሩይ ክኾን ንምግባር ዝሕግዝ'ዩ\" ክትብል ገሊጻ። እቲ ውሳነ ኣብ ካልኦት ሃገራት ንዘሎ ተሞክሮ መሰረት ዝገበረ ከም ዝኾነ'ውን ኣመልኪታ። ተምሃሮ ነቶም ክዳውንቲ ንኽፈትውዎምን ሕጉሳት ኮይኖም ንክኽደንዎምን ምስ ማሕበር ዲዛይነራት ኢትዮጵያ ብሓባር ይስራሕ ምህላዉ ተፈሊጡ'ሎ። \"ቅድን ሕብርን ብምርጫ'ቶም ሰብ ሞያ ክኸውን ዝተወሰነ ምስቲ ግዜ ክኸይድ ዝኽእል ንክኸውን ብምሕሳብ'ዩ\" ኢላ። ነቲ ሓሳብ ግብራዊ ንምግባር ከኣ ክሳብ 300 ሚልዮን ብር ክወጽእ ከም ዝክእል ፌቨን ተዛሪባ። ቢሮ ትምህርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ወለዲ ዘተ የካይድ ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብ ቅድን ሕብርን እቲ ዲቪዛ ዝወሃቡ ርእይቶታት ብምእካብ ዝበዝሕ ወላድን ተመሃሮን ዝሓረዮ ክኸውን'ዩ። \"ንኹሉ ስራሕ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ወጊንና ንዝቕጽል [2012 ኣ.ኢ] ዘበነ ትምህርቲ ድልዉ ክኸውን ንሰርሕ ኣለና\" ኢላ።","category":"ኣዲስ ኣበባ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48933064"} {"headline":"ብሪጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ተቐቲሉ","content":"ብሪጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ብሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ከም ዝተቐትለ ሃገራዊ ተሌቪዥን ኢትዮጵያ ኢቢሲ ሓቢራ። እቲ ጀነራል፡ ኣብ ባህርዳር ዘንዘሊማ ኣብ ዝብሃል ከባቢ ብጥይት ከም ዝተወቐዐ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ። ነቲ ኣብ ባህርዳር ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ከም ዘወሃሃደ ክሕበር ዝጸነሐ ብርጋደር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ፡ ክሃድም ኣብ ዝፈተነሉ ከም ዝተቐትለ ተለቪዥን ክልል ኣምሓራ ገሊጻ። ብሪጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ኣብ ወሎ ላስታ ኣብ ዝበሃል ቦታ እዩ ተወሊዱን ዓብዩን። ናብ ቃልሲ ኣብ ዝተጸንበረሉ፡ መጀመርታ ኣብ ኢህዴን (ኢትዮጵያ ህዝቦች ዴሞክራስያዊ ንቅናቄ) ድሒሩ ኣብ ብኣዴን (ደሞክራስያዊ ምንቅሰቃስ ብሄረ ኣምሓራ) ቅድሚ ምጽንባሩ ኣብ ከተማ ደሴ ኣብ ኮሌጅ መምህራን መምህር ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ። ወተሃደራዊ ስርዓት ካብ ስልጣን ምስ ተኣልየ ኣብ ትውልዲ ዓዱ ኣመሓዳሪ ኮይኑ ሰሪሑ። ድሕር'ዚ ናብ ምክልኻል ብምጽንባር ኣብ ዶባዊ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ተሳቲፉ። ናብ ኣሜሪካ ብምኻድ ወታደራዊ ትምህርቲ ዝወሰደ ኣሳምነው፡ ናይ ብርጋዴር ጀነራል ማዕርግ ብምውሳድ ኣብ ምክልኻል ብሓላፍነት ሰሪሑ። ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ኣብ ናይ ሰራዊት ምክልኻል ኮለጅ ላዕለዋይ ጽፍሒ ብምምራሕን ብምምሃርን ውን ኣገልጊሉ። ኣሳምነው ጽጌ ኣብ 2001 (ኣጻጽራ ኢትዮጵያ) ምስ ገለ ወታደራውያን መኮንናት ብምዃን ዕልዋ መንግስቲ ብምውዳቡ ተኣሲሩ ነይሩ። ብዝቐረበሉ ክሲ ገበነኛ ኮይኑ ስለ ዝተረኽበ፡ መዓርጉ ተቐንጢጡ ንሕልፈት ማእሰርቲ ተፈሪድዎ። ትሽዓተ ዓመት ድሕሪ ምእሳሩ ግን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ናብ ስልጣን ምስ መጸ ማዕርጉ ተመሊስሉ ካብ ማእሰርቲ ብምሕረት ተፈቲሑ። ድሕረ'ዚ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ትሕቲ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት እቲ ኽልል ናይ ዝመሓደር ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ሓላፊ ኮይኑ ተሸይሙ። ኣብቲ ህይወት ሓሙሽተ ሰበ ስልጣን ዝቐተለ ናይ ቐዳም ፈተነ ዕልዋ፡ ኢድ ከም ዘለዎ ኤዴፓ ገሊጹ።","category":"ኣዲስ ኣበባ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48747178"} {"headline":"\"ነቶም ድሑራት ኣብ መወዳእታ ክንቀብሮም ኢና\" ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል","content":"ብቀዳም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተገብረ ፈተነ ዕልዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ክልተ ጀነራላት ዝተፈጸመ ቅትለትን ኣመልኪቱ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ትማሊ ንጋዜጤኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቶም ነዚ ስጉምቲ ዝወሰዱ ሓይልታታ \"ኣብ መወዳእታ ክንቐብሮም ኢና\" ኢሉ። ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣስዒቡ እዚ ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ባህርዳርን ስጉምቲ ዝወሰደ ሓይሊ፡ ብጉልበት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዝደልን፡ ብምርጫ ናብ ስልጣን ክድይብ ዘይክእል ምዃኑ ዝፈለጠን ኣካል'ዩ ኢሉ። ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ከምዝኽእሉ'ውን ንግምት ነይርና ኢና ኢሉ። ኣብ ጥሮታ ዝጸንሐ ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ኢታ ማጆር ሹም ጀነራል ሰዓረ መኮነንን፡ ኣብ መንበሪ ገዛ ጀነራል ሰዓረ እዮም ብዓጃቢ ጀነራል ሰዓረ መኮነን ተቐቲሎም። \"ጀነራል ሰዓረ መኮነን ንሃገር 'ምበር ንኽልል ይሰርሕ ኣይነበረን። ይኹን 'ምበር እቲ መጥቃዕቲ ናይ ክልተ ሰባት ጉዳይ ኣይኮነን፡ ስርዓት ንምፍራስ ዝዓለመ'ዩ። መንነት'ውን መሰረት ዝገበረ'ዩ\" ይብል ዶክተር ደብረጽዮን። \"ህዝቢ ትግራይ ከየንበርከኽካ ስልጣን ከም ዘይርከብ ፈሊጦም ብጽልኣት ዝወሰድዎ ስጉምቲ'ዩ፡ ናበይ ከም ዘምርሕ'ውን ኣይፍለጥን፡ እዚ ዝተጠናነገ መሓውር ክፍለጥን ናብ ሕጊ ቐሪቡ ክበታተኽን ኣለዎ\" ብምባል ነቲ ተግባር ኮኒንዎ። ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብምቕጻል \"እዚ ብትልሚ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክቅጽል ከም ዝኽልእ ክንፈልጥን ክንዳሎን ኣለና፡ ይኹን 'ምበር በዚ ፈረኽረኽ ዝብል ትግራዋይ የለን\" ድሕሪ ምባል ህዝቢ ቆቋሕ ኮይኑ ከባቢኡ ክሕሉ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ። ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ እቲ ቅንጸላ ቅድሚ ምርጫ ተጀሚሩ ስለ ዘሎ ክቕጽል ከምዝኽእል'ውን ኣመላኺቱ። \"እዞም ድሑራት ሓይልታት ከም ቀደሞም 'የሻል' [ኣላሽ ] ከነብሎም ኢና፡ ተወዲቦም የጥቅዑና ስለ ዘለዉ ተወዲብና ከነጥፍኦም ኢና። ኣብ መወዳእታ'ውን ክንቀብሮም ኢና\" ኢሉ። ኣብ መወዳእታ \"ህዝቢ ኣምሓራ፡ ከምቲ ኣብ ሓጎሶም ኣብ ጎኖም ዝነበርና ኣብ እዋን ሓዘኖም'ውን ኣብ ጎኖም ደው ክንብል ኢና\" ብምባል ንህዝቢ ኣምሓራ ጽንዓት ይሃብኩም ኢሉ።","category":"ኣዲስ ኣበባ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48743451"} {"headline":"\"ጀነራል ሰዓረ ኣብ ትግራይ'ዩ ዝቕበር\" ሓው ጀነራል ሰዓረ፡ ኣቶ ሓዲሽ መኮነን","content":"ብቐዳም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዓጃቢኡ ዝተቐተለ ኢታ ማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ሰዓረ መኮነን፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ እንዳባጉና ዝርከቡ ስድራቤቱ፡ ኣብ ትግራይ ክቕበር ከም ዝደልዩ ንቢቢሲ ሓቢሮም። ዓቢ ሓዉ ንጀነራል ሰዓረ መኮነን፡ ኣቶ ሓዲሽ መኮነን'ውን \"ስነ ስርዓት ቀብሪ ጀነራል ሰዓረ መኮነን ጽባሕ ሰሉስ ሰዓት 8 [ሰዓት2 ድሕሪ ቐትሪ] ኣብ ከተማ መቐለ ክካየድ'ዩ\" ኢሉ። ኣግልግሎት ተለቪዝን ኢትዮጵያ'ውን ስነ ስርዓት ቀብሪ ጀነራል ሰዓረ መኮነን፡ ኣብ ከተማ መቐለ ከም ዝካየድ ኣቓሊሓ። ኣግልግሎት ተለቪዝን ኢትዮጵያ ብተወሳኺ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ናይ ምፍናው ስነ ስርዓት ከም ዝግበረሉ ሓቢራ። ሓላፊት ርክብ ህዘብን መንግስትን ክልል ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ብወገና፡ ስነስርዓት ቀብሪ ጀነራል ሰዓረ ኣብ ከተማ መቐለ ከምዝፍጸምን ነዚ ዘዋድድ ኮሚቴ ከምዝቖመን ገሊጻ። ጽባሕ ሰሉስ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ፡ ንኣስከሬን እቲ ጀነራል ኣቀባብላ ዝግበር ምዃኑ እኳ እንተገለጻ ዕለተ ቀብሪ ግን ብቐጻሊ ከምዝግለጽ'ዩ ተሓቢሩ ዘሎ። ወይዘሮ ሊያ ካሳ እቲ ነዚ ስነ ስርዓት ቀብሪ ናዞም ክልተ ጀነራላት ከወሃህድ ዝተመዘዘ ኮሚቴ ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልቲታት ዝቕጽል ውጥናቱ ኣጻፊፉ ከምዘሎ ሓቢራ። ካብ ጽባሕ ሰሉስ ጀሚሩ፡ ምቕባል ኣስከሬን ፣ ስነ-ስርዓት ምብጻሕ ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ከተማ መቐለ፣ ንኽብሪ እቶም ጀነራላት ዝገልጽ ምድላው ኣብ ስታዲዮም ትግራይ ዝዳሎ ናይ ምፍናው ምድላዋት ዝካየድ እንትኾን፤ ኣብ መወዳእታ ድማ ስነ ስርዓት ቀብሮም ኣብ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስትያን መቐለ ክፍጸም እዩ። ድሕሪ እቲ ቀብሪ ድማ ስድራ እቶም ጀነራላት ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ናይ ምብጻሕ ስነ ስርዓት ክካየድ እዩ ክትብል ወይዘሮ ሊያ ካሳ ሓቢራ። ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ሓላፊት ሴክሬታሪያት ፕረስ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ቢልለኔ ስዩም፡ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኢታማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ሰዓረ መኮንን፡ ጽባሕ ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ቅድስተ ስላሴ ከም ዝፍጸም ሓቢራ ነይራ። ቢልለኔ ስዩም ብምስዓብ፡ ኣስክሬን ጀነራል ሰዓረ መኮንን ካብ መንበሪ ገዝኡ ክሳብ ኣዳራሽ ሚልዩንየም ብወታሃደራዊ ሰልፊ ተዓጂቡ ከም ዝኸይድን፡ ካብ ንግሆ ክሳብ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ኣዳራሽ ሚልዩንየም ብዓበይቲ ሰበስልጣንን ቤተ ሰብን ፈተውትን ናይ ምፍናው ስነስርዓት ከም ዝግበሮ'ውን ሓቢራ ነይራ። ምስ ኢታ ማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንበሪ ቤት ጀነራል ሰዓረ ዝተቐተለ ጀነራል ገዛኢ ኣበራ፡ ኣስክሬኑ ቤተ ሰቡ ብዘቕረብዎ ሕቶ ናብ ትውልዲ ዓዱ ከም ዝልኣኽ'ውን ተገሊጹ'ዩ።","category":"ኣዲስ ኣበባ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48746147"} {"headline":"ኣብ ወርሒ ማይ ዝእልሽ ቴክኖሎጂ ዝመሃዘ ኢትዮጵያዊ ዶክተር ብርሃኑ ቡልቻ መን እዩ?","content":"20 ሓምለ 1969 ወዲ ሰብ ንፈለማ እዋን ኣብ ወርሒ ዓሊቡ። ጠፈርተኛ ኒል ኣርምስትሮንግ “እዚ ንደቂ ሰብ ዓቢይ ስጕምቲ እዩ” ብምባል ባንዴራ ሃገሩ - ኣሜሪካ ኣብ ወርሒ ኣንበልቢሉ። 53 ዓመታት ድሕሪ እቲ ፕሮጀክት ኣፖሎ (Project Apollo) ዝተሰመየ ስርሒት ድማ፡ ኢትዮጵያዊ ዶክተር ብርሃኑ ቡልቻ ኣብ ወርሒ ማይ ዝእልሽ መሳርሒ ኣዳልዩ ኣሎ። ዶክተር ብርሃኑ ሰራሕተኛ ትካል ምርምር ጠፈር ኣሜሪካ - ናሳ እዩ። ንሱ ዝመርሖ ጕጅለ ተመራመርቲ፡ ኣብ ወርሒ ማይ ምህላውን ዘይምህላውን ዝምርምር መሳርሒ ምምዕባሉ ናሳ ኣፍሊጡ። ወድ ሰብ ንፈለማ እዋን ናብ ወርሒ ድሕሪ ምብጽሑ፡ ብድሕሪኡ ኴድና ኣይንፈልጥን። ኣብ ዝቕጽል ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ዓመታት ግን ናሳ ዳግማይ ሰብ ናብ ወርሒ ንምልኣኽ ኣንቂዱ ኣሎ። ኣብዚ ጕዕዞ ናይ መጀመርታ ጸላም ሰበይቲ ኣብ ወርሒ ክትርአ ትጽቢት ይግበር። ሰባት ናብ ወርሒ ቅድሚ ምኻዶም ግን፡ ናሳ፡ ዝተፈላለዩ መሳርሒታት ናብ ወርሒ ይለእኽ። ሓደ ካብዞም መሳርሒታት ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ከኣ ብዶክተር ብርሃኑ ዝተዳለወ መአለሺ ማይ እዩ። ናሳ፡ ዳግማይ ናብ ወርሒ ንምጕዓዝ ኣበጊስዎ ዘሎ ውጥን ኣርተሚስ (Artemis) ይበሃል። ኣብ ጽውጽዋይ ግሪኽ ኣርተሚስ ሓፍቲ ኣፖሎ እያ። ሓደ ካብ ዓበይቲ ስርሓት ናሳ፡ ኣብ ህዋ ዝርከቡን ብዓይኒ ዘይረኣዩ ኣካላትን ዝድህስሱ መሳርሒታት ምድላው ምዃኑ ዶክተር ብርሃኑ ይገልጽ። ሪሞት ሰንሲን ['Remote Sensing'] ይበሃሉ። እቶም መሳርሒታት ብርሑቕ ንወርሒ ይድህስሱ፤ ወይ’ውን ኣብ ወርሒ ብምዕላብ ንምርመራ ናሳ ይሕግዙ። ኣብ 1970ታት፡ ብዛዕባ ወርሒ ዝግበሩ ምርምራት ኣዝዮም ተበራኺቶም ነይሮም። ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ኣብ መንጐ ኣሜሪካን ሕብረት ሶቭየት ነበርን ‘Space Race’ ዝተሰመየ ሓያል ምውድዳር እዩ ዝካየድ ነይሩ። እቲ ንሕንሕ ሎሚ’ውን ቀጺሉ ኣሎ። ኣሜሪካ፡ ሩስያ፡ ቻይናን ህንድን ኣብ ቅድሚት ዝጥቀሳ እየን። ናሳ፡ ኣብ ወርሒ እንታይ ኣሎ? ንህይወት ደቂ ሰብ ዘድልዩ ነገራት ኣብ ወርሒ ኣለው ዶ? ንዝብሉ ሕቶታት መልሲ ንምርካብ መጽናዕቱ ቀጺሉ ኣሎ። ኣካል እዚ መጽናዕቲ ኰይኑ ዘሎ ከኣ ኣብ ወርሒ ማይ እንተሎ ዝፍትሽ መሳርሒ እዩ። ዶክተር ብርሃኑ እቲ መሳርሒ፡ ኣብቲ ዓውዲ ዓቢይ ለውጢ ዘምጽእ (Game changer) ምዃኑ ይገልጽ። ነዚ ከረድእ እንከሎ፡ ቀዳማይ እቲ ንዋት ንእሽቶን ዘተኣማምን ምዃኑን ይነግር። “ኣብ ህዋ ንዘለው ኬሚካላት፡ ሞለኲላት፡ ጋዛት ወዘተ እዩ ዘጽንዕ” ይብል ዶክተር ብርሃኑ። እዞም ኬሚካላት ልክዕ ከም ሰባት ኣሰር ሓዲጐም እዮም ዝሓልፉ። እቲ መሳርሒ ከኣ ነቲ ኣሰራት እዩ ዘለኒ። “እቲ ተሰሪሑ ዘሎ ንዋት፡ ብዙሕ ጋዛት ከጽንዕ ይኽእል። ብቐንዱ ግን ንማይ ክርኢ እዩ ተሰሪሑ” ይብል። እቲ ዶክተር ብርሃኑ ዝመሃዞ ንዋት ቀንዲ ስርሑ ኣብ ወርሒ ማይ ምእላሽ'ኳ እንተዀነ ኣብኡ ዘብቅዕ ኣይኰነን። ማይ ኣሎ እንተ ተባሂሉ፡ ካበይ መጺኡ? ክንዲ ምንታይ ይኸውን? ዝብሉ ሕቶታት ይምልስ። “እቲ ማይ ስርዓተ ጸሓይ ክፍጠር እንከሎ ዝመጸ ድዩ? ወላስ ብድሕሪኡ ኮሜታት ወይ በረድ ዝሓዘሉ ግኡዛት ናብ ወርሒ ብምኻድ ነቲ ማይ ኣጓዓኢዞምዎ? ዝብል ከጽንዕ እዩ” ክብል ዶክተር ብርሃኑ የረድእ። ኣብ ወርሒ ማይ ክህሉ ከምዝኽእል ግምታት'ኳ እንተሎ፡ ዛጊት ክረጋገጽ ኣይተኻእለን። እቲ መኣርሒ ነዚ ግምት ከረጋግጽ ትጽቢት ይግበረሉ። “መጽናዕትታት ከምዘርእይዎ፡ ማይ ዝመስሉ ነገራት ኣብ ወርሒ ኣለው። ግን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ወርሒ ማይ ከምዘሎ ርግጸኛ ኴንካ ምዝራብ ከቢድ እዩ። እቲ ናተይ ጕጅለ ዝሰርሖ መሳርሒ፡ ንማይ ካብ ካልኦት ባእታ ሃይድሮጅን ዘለዎም ሞለኲላት ብልክዕ ንምልላይ የኽእል” ይብል ዶክተር ብርሃኑ። ዶክተር ብርሃኑ፡ ዋና ተመራማሪ እዚ መጽናዕቲ ኰይኑ፡ ነቲ ሓሳብ ተመሃራይ እንከሎ እዩ ኣበጊስዎ። ክውን ክሳዕ ዝገብሮ ከኣ ሸሞንተ ዓመታት ወሲዱሉ። እንተዀነ ሎሚ’ውን ኣይተወድአን ኣሎ። ገና ዝተርፉዎ ደረጃታት ከምዘለው ይዛረብ። ናብ ወርሒ ክሳዕ ዝለኣኽ’ውን ክልተ ዓመታት ክወስድ ከምዝኽእል ይግመት። ንመርመራታት ናሳ ምስ ሓለፈ እዩ ናብ ወርሒ ዝለኣኽ። ወድ ሰብ ድሕሪ ኣፖሎ፡ ዋላ’ኳ ኣብ ወርሒ እግሩ እንተዘየንበረ፡ ንወርሒ እናዘሩ ሓበሬታ ዝእክቡ መሳርሒታት ምልኣኽ ተኻኢሉ እዩ። ኣብ ወርሒ “ማይ ዝመስል” ነገር ከምዘሎ ዝሓበሩ’ውን እዞም መሳርሒታት እዮም። ክንዮ ምሕባር ጥልቕ ዝበለ መርመራ ምግባር ስለዘይተኻእለ እዩ እቲ ናይ ዶክተር ብርሃኑ መሳርሒ ኣድልዩ። ቀዳማይ ደረጃ ፕሮጀት ኣርተሚስ፡ ‘ኣርተሚስ 1’ ይበሃል። ናብ ቅናት ዙረት ወርሒ (Orbit) ኣትዩ፡ ንሽዱሽተ መዓልታት ድሕሪ ምዛር ናብ ምድሪ ክምለስ እዩ። ናሳ ንኣርተሚስ 1 ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ክውንጭፎ ተሊሙ'ኳ እንተነበረ ኣይሰለጦን። ኣብ ቀረባ እዋን ዳግማይ ፈተነ ክገብር እዩ። ንኣርተሚስ 1 ስዒቡ ኣርተሚስ 2 ክውንጨፍ እዩ። ኣብ ሳልሳይ ዙር በረራ እቶም መሳርሒታት ናብ ወርሒ ክለኣኹ እዮም። ብድሕሪኡ ከኣ ሰባት ይኸዱ። ኣብ ካልኣይ ዙር ዝለኣኹ ኣቕሑት ቅድሚ ሕጂ ዘይተሰርሑ እዮም። እቲ መሳርሒ ኣብዚ ጕዕዞ ክካተት፡ ዶክተር ብርሃኑ ይሰርሕ ኣሎ። “ናትና መሳርሒ ብቝዕ ኰይኑ እንተ ተረኺቡ፡ ኣብ ኣርተሚስ 2 ወይ 3 ክኸይድ እዩ። እቶም ተመራመርቲ ጠፈር ቅድሚ ምኻዶም ክለኣኽ ወይ’ውን እቶም ተመራመርቲ ሒዞምዎ ከይዶም ማይ ንዘለዎ ስፍራ በቲ መሳርሒ ክእልሹ ይጠቅም።” እቲ ንዋት ኣብ ልዕሊ ሮቦት ተገጢሙ ኣብ ወርሒ ይንቀሳቐስ። ካብ ኣፖሎ ጀሚሩ ንወርሒ እናዞረ ዝምርምር ዘሎ ንዋት ‘ሉናር ሮቨር’ ዝተባሃለ እዩ። ዶክተር ብርሃኑ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ወርሒ ማይ እንተተረኺቡ፡ ደቂ ሰባት 'ካልኣይ ገዛ' ክህልዎም ማለት እዩ። ኣብ ወርሒ ማይ እንተ ተረኺቡ ንኽንዘናጋዕ ናብኣ ክንከይድ ኢና ማለት እዩ። ዋላ ጠቕሊልና ኣብ ወርሒ ክንነብር ንኽእል ኢና። ደቂ ሰብ ክጥቀምሎም ዝኽእሉ ጸጋታት ኣብ ወርሒ ክርከቡ ዝኽእሉሉ ተኽእሎ ኣሎ። እቲ ተመራማሪ ከም መጠን ሳይንቲስት ህዋ፡ ነዚ መሳርሒ \"ዓቢ ዓወት\" ክብል ይገልጾ። ብቐንዱ ኣሜሪካ፡ ሩስያ፡ ህንዲን ቻይናን ንወርሒ ቀዲመን ንምጽናዕ ከምኡ’ውን ጸጋታታ ተጠቒመን ንቱሪዝምን መነባብሮን ክግልገላላ ኣብ ምጉያይ ይርከባ። ኣሜሪካ ኣብ ወርሒ ዝዓለበት ፈላሚት ሃገር ክትከውን እንከላ ህንድን ቻይናን ድማ ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት መሳርሒታት ናብ ወርሒ ሰዲደን እየን። ናሳ ንመወዳድርቱ ቀዲሙ ንወርሒ ናይ ምድህሳስ ዓቢ ዕላማ ኣለዎ። እዚ ዕላማ ንኽዕወት ድማ እቲ ብዶክተር ብርሃኑ ዝተመሃዘ መሳርሒ ዓቢይ ሓገዝ ይህብ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ’ዩ ተወሊዱ ዓብዩ። መባእታውን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቲ ድማ ኣብታ ከተማ ተማሂሩ። ብድሕሪኡ ነጻ ዕደል ትምህርቲ ረኺቡ ናብ ኣሜሪካ ኣምርሐ። ፈለማይ ዲግሪኡ ብፊዚክስን ምህንድስናን ረኺቡ። ፊዚክስ እናተማህረ እንከሎ፡ እቲ ብዙሕ ዘይፍለጥ ሳይንስ ህዋ መሲጥዎ፤ ብፍላይ ኣስትሮፊዚክስ። ናብ ዩኒቨርሲቲ ቨርጂንያ ምስ ኣተወ ንህዋ ዝኸውን መሳርሒታት ብደረጃ ሓሳባት ከማዕብል ጀሚሩ። \"ካብ ዕድመ ንእስነተይ ጀሚረ ብፈጠራዊ ስርሓት ይምሰጥ ነይረ። ጸገም ምፍታሕ ብጣዕሚ’ዩ ዘሐጕሰኒ። በዓል ሞያ ቴክኖሎጂ ወይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንጸገም ማሕበረሰብ ክፈትሕ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ\" ይብል። ንኻልኣይ ዲግሪ እናተማሃረ ከሎ ጸሓያት ብኸመይ ይውለዱ፡ ይዓብዩን ይሞቱን? ንዝብል ኣብ ዘጽንዑ መሳርሒታት ክሳተፍ ጀመረ። መጀመርታ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቨርጂንያ ኮመንወልዝ፡ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቨርጂንያ እዩ ተማሂሩ። ፒኤችዲ ምስ ገበረ ድማ ኣብ ኤም.ኣይ.ቲ ጸኒሑ። ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት’ዩ ናብ ናሳ ተጸንቢሩ። ህጻን ከሎ እዩ ብዛዕባ ጠፈር ክፈልጥ ዝደሊ ዝነበረ። \"መባእታዊ ትምህርተይ ኣብ ክርስትያናዊ ቤት ትምህርቲ እየ ተኸታቲለ። ኣብ ክርስትና ድማ ብዛዕባ ህዋ ብዙሕ ግዜ ይዝረበሉ እዩ። ንሱ እዩ ዝያዳ ንኽፈልጥ ተበግሶ ዘሕደረለይ” ክብል የረድእ። ይዅን እምበር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናብ ናሳ ክጽንበር እየ ኢሉ ሓሲቡ ኣይፈልጥን። ኣብ ዩኒቨርሲቲ እንከሎ ናብ ናሳ ዝመርሖ መጽናዕቲ ክሰርሕ ጀሚሩ። እቲ ኣብ ወርሒ ማይ ዝደሊ መሳርሒ ዝተወጠነ ‘ውን ኣብቲ ግዜ ነይሩ። ናብ ናሳ ምስ ተጸንበረ፡ ብዛዕባ ሶላር ሲስተም (ስርዓተ ጸሓይ)ን ጋላክሲታትን ኣብ ምጽናዕ ብዙሕ ግዜ ኣሕሊፉ። ኣብ ኣሜሪካ ነጻ ዕድል ትምህርቲ ረኺቡ ክወጽእ ከሎ በይኑ እዩ ነይሩ። ካብ ስድራ ተፈሊኻ በይንኻ ምንባር ቀሊል ኣይነበረን። \"ኣብቲ እዋን፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጺአ ኣይፈልጥን ነይረ። ሓደ ሰብ ምስ ስድራኡ ንነዊሕ እዋን እንተጸኒሑ፡ ፈጺሙ ተፈልይዎም ዘይፈልጥ ሃንደበት ናብ ካልእ ሃገር ምስ ኣተወ፡ እቲ ፈተና ብዙሕ እዩ። ዝድግፈካ ስድራቤት የለን። ሽዑ ከምዚ ሎሚ ብቐጻሊ ስልኪ ምድውዋል ኣይከኣልን ነይሩ። ንኣስታት ዓመትን ፈረቓን ተሌፎን እኳ ኣይነበረንን። ስለዚ ኣብ ወርሒ ሓደ ወይ ክልተ ግዜ ብናይ ህዝቢ ተሌፎን ኣብ መንገዲ እድውል ነይረ። ኣዝዩ ውጥረት ዝመልኦ እዩ ነይሩ” ክብል ነቲ ዝሓለፎ ይዝክር። ኣብቲ ዝመሃረሉ ዝነበረ እዋን ርእሱ ንምኽኣል፡ ተደራቢ ስራሕ ክሰርሕ ግድን ነበረ። “ኮፍ ኢልካ መጽናዕትኻ ግበር” ካብ ዝብል ስድራቤት ወጺኡ ናብቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝተጸበዮ ጕያ ዝመልኦ ህይወት ምእታው በዳሂ ነይሩ። ናብ ናሳ ንምእታው ዝግበር ዝነበረ ውድድር ድማ ቀሊል ኣይነበረን። ተዓወትቲ ሽልማት ኖቤል ዝርከብዎም ፍሉጣት ሳይንቲስት፡ መምህራንን ተመራመርትን ናብ ናሳ ክጽንበሩ ድልየት ኣለዎም። ዶ\/ር ብርሃኑ ከምዝበሎ ናሳ ኣብ ሓደ ዓውዲ ዓሚቝ ምርምር ዝገበረ በዓል ሞያ እዩ ዝደሊ። ብፍላይ ካልኣይን ሳልሳይን ዲግሪኡ ክሰርሕ ከሎ ዝገብሮ ምድላው ናብ ናሳ ክኣቱ ከምዝሓገዞ ይዛረብ። \"ኣምላኽ ሓጊዙኒ፤ ምኽሪ ስድራይ ከም መግቢ ኣብ ኣእምሮይ ሰኒቐ፡ ፈተናታት ብምስጋር ናብዚ በቒዐ ኣለኹ\" ይብል። ኣስዒቡ \"ብሉጽ ሓሳብ ዘለዎም ሰባት ናብ ናሳ ይመጹ’ዮም። ናሳ ዝተደጋገመ ስራሕ ኣየደልይን እዩ። ካልእ ከምዚ ከማኻ ዝበለ ደጊሙ ክቘጽር ድልየት የብሉን። ስለዚ ኣብቲ ዝተቘጸርካሉ ዓውዲ ክኢላ ክትከውን ኣለካ። ካብቶም ንዓመታት ዝሰርሑ ፕሮፌሰራት፡ ብዙሓት መጽናዕትታት ዘሕተሙ ተመራመርትን ፓተንት ዘለዎም ክኢላታትን ምምራጸይ ዓቢ ዕድል'ዩ\" ይብል። ንሱ፡ ነታ ናብ ናሳ ዝኣተወላ ኣጋጣሚ \"ሓንቲ ካብቶም ፍሉያት ኣጋጣሚታት ህይወተይ\" ክብል ይገልጻ። መሳርሕቱ ካብ ፍሉይ ዕድል ዘለዎ ህይወትን ትምህርትን ዝመጹ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም፤ ናቱ ታሪኽ ግን ዝተፈልየ እዩ። ምስቶም ብሞያኦም ኣብ ዓቢይ ብራኸ ዝበጽሑ ክሰርሕ ምኽኣሉ ብዙሕ ምሂርዎ እዩ። ዕላማ ናሳ፡ ዳህሳስ ህዋ ኣሜሪካ ናብ ቅድሚት ክስጕም ምግባር ስለዝዀነ፡ እዚ ሓባራዊ ዕላማ ከኣ ነቲ ገና ናብ ናሳ ዝኣተወ ምስቲ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ተዋዲዱ ክሰርሕ ዕድል ዝህብ’ዩ። \"ከም ሓደ ዝተማህረ ኢትዮጵያዊ መጠን ንነብሰይ ኣብዚ ክረኽባ ስለዘይተጸበኹ ሕጕስ እየ። ኣካል ናይ ሓደ ዓበይቲ ሰባት ዓለም ዘለዎን ዓቢ ኣበርክቶ ዝገብርን ትካልን ምዃን ዓቢይ ክብሪ እዩ” ክብል ይዛረብ። ንመጀመርታ ግዜ ናብ ኣሜሪካ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ብቐጻሊ ናብ ስድራኡ ክድውል ዕድል ስለ ዘይረኸበ፡ ንኣደኡ ኣዝዩ ከም ዝናፍቓ ይዝክር። ምስቲ ኣብነት ዝዀነኒ ዝብሎ ዓቢይ ሓዉ እውን ኣይራኸብን ነይሩ። ናይ ዓመታት ፈተና ሰጊሩ ታሪኽ ዓወት ካብ ዘለዎም ሓደ ክኸውን ብምብቅዑ ስድራኡ ሕጕሳት ኰይኖም ኣለዉ። \"ካብ ኢትዮጵያ ምስ ወጻእካ ናይ ውድቀትን ዓወትን ተኽእሎ ኣሎካ። ስድራ ቤተይ ሓደ ካብ ዕዉታት ኰይነ ስለዝረኣዩኒ ኣዝዮም ተሓጒሶም እዮም፡” ይብል።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3g4dd2g3y3o"} {"headline":"ብዘይ መራሕ መኪና ኣብ እትሰርሕ ታክሲ ዶ ምተሳፈርኩም?","content":"ኣብ ኣሜሪካ ሳንፍራንሲስኮ ብዘይ ዘዋሪ፡ ኣጎልግሎት ታክሲ ዝህባ መካይን ኣብ ፈተነ ድሕሪ ምጽናሕ እቲ ትካል መንግስታዊ ፍቓድ ረኺቡ’ሎ። ሰራሕተኛ ቢቢሲ ዝኾነ ጀምስ ኣብተን ብዘይ ዘዋሪ ዝንቀሳቐሳ ወሃብቲ ኣጎልግሎት ታክሲ ተሳፊሩ ዝፈጠረሉ ስምዒት ገሊጹ’ሎ ተኸታተልዎ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c6pz3d090ypo"} {"headline":"ስለምንታይ እዩ ባትሪ ተሌፎንና ቀልጢፉ ዝመውት?","content":"ንጎሆ ተንሲእካ፡ ንሰለስተ ሰባት መልእኽቲ ጽሑፍ ሰዲድካ፡ ክልተ ኢመይላት መሊስካ፡ ገለ ኣርባዕተ መርበባት ሓበሬታ ሃሰስ እንተኢልካ ብፍላይ ከኣ ንዩትዩብ ገጽካ እንተሰጊርካ፡ ገና ፍርቂ መዓልቲ እንከሎ ባትሪ ተሌፎንካ የንቈልቝል። ብስንኪ’ዚ ድማ ባትሪ ተሌፎን ምምላእ ‘ሪቻርጅ’ ሓደ ካብ ቀንዲ መዓልታዊ ስራሕካ ይኸውን። እተን ቀዳሞት ዝነበራ ተሌፎናት፡ ክሳብ ክንድኡ ቀልጢፈን ባትሪ ኣይወድኣን ነይረን። ስለምንታይ? እተን ተሌፎናት፡ ‘ጂኤስኤም ኔትወርክ’ ዝጥቀማ ‘2G’ ዝበሃላ ዓይነት እየን ነይረን። በዚ ኸኣ ነተን ተሌፎናት፡ ዘይከምዘን ናይ ሎሚ ንዅሉ ነገራትና ኣይተጠቐምናለንን። ኣገልግሎተን ን ምድውዋል፡ ኣብ ገሊኡ ድማ መልእኽቲ ጽሑፍ ንምልውዋጥ ጥራይ እዩ ነይሩ። ባትሪአን ሓንሳእ ምስ መልአ ድማ ንሓደ ሰሙን ኣቢሉ ክጸንሑ ይኽእል። ኣብዚ እዋን ግን፡ ዳርጋ ዝበዝሕ ስራሕናን ህይወትናን ምስ ተሌፎን እናተተሓሓዘ እዩ ዝመጽእ ዘሎ።  ተሌፎናት፡ መደወሊ፡ መሓበሪ ኣንፈት፡ መአዘዚ መግቢ ይዅን ዝተፈላለየ ኣቝሑን፡ መርኣዩ ቪድዮ፡ መከታተሊ ዜና፡ መስኣሊ ካሜራ. . . ወዘተ እቲ ቝጽሪ ኣመና ብዙሕ እዩ። እዚ ዅሉ ስርሓት ድማ ብኡ መንጽር ልዑል ሃልኪ ባትሪ ይሓትት። ኣብዚ እዋን፡ ተሌፎናትን ኮምፒዩተራትን ሓበሬታ ብቕልጡፍ ዝሃልኽን፤ ነዚ ድማ ኤሌክትሮናት ብረቀቕቲ ገመዳት ኤሌክትሪክ ብፍጥነት ክጓዓዙ የድሊ። እዚ መስርሕ’ዚ ድማ ብዙሕ ሙቐት ስለዝፈጥር፡ ነተን ኤለክትሮኒካዊ ኣቝሑ መዝሓሊ ቨንቲሌተር ክግጠመለን የድሊ፤  እዚ ዅሉ ንጥፈት ድማ ዓቕሚ ባትሪ ይሓትት። ዶክተር ኣንጀላ ኒኮራ፡ ኣብ ስሊኮን ቫሊ ኣብ ዝርከብ ማእከል ምርምር ዶቸ ተሌኮም ተመራማሪት ኰይና፡ ኣብ ባትሪ ሞባይል ብዝገበረቶ መጽናዕቲ እያ ዝያዳ ትፍለጥ። ሓንቲ ሞባይል ካብ 15,000 ክሳብ 20,000 ጁል [መዐቀኒ ጸዓት] ትሓትት። ብመሰረት መጽናዕቲ ዶ\/ር ኣንጀላ፡ ሓንቲ ተሌፎን ምስ ኢንተርነት ብምትእስሳራ ጥራይ ካብዚ ጸዓት’ዚ 12 ጁል ትወስድ። እዚ ድማ እታ ተሌፎን ካብ ኢንተርነት ዝዀነ ሓበሬታ ንምውራድ ንእትወስዶ ሓይሊ ኣየጠቓልልን፣ ኣብ ኢንተርነት ብምህላዋ ጥራይ ዝሃልኽ እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ መርበባት ሓበሬታ ንጡፋት ኣብ ዝዀኑሉ፡ ተጠቀምቲ ዝያዳ ሓይሊ ባትሪ ተጠቂሞም’ዮም ናብቲ መርበብ ዝበጽሑ። ንኣብነት መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ኣብ ተሌፎንካ ንምኽፋት 3 ጁል ሓይሊ ጸዓት የድሊ። ብዘይካ’ዚ፡ መርበባት ሓበሬታ ኣፕል ንምኽፋት 34 ጁል ይወስድ፣ ዊኪፒዲያ እውን ተመሳሳሊ ጸዓት ይደሊ። ሓያለ፡ ንሃልኪ ባትሪ ተሌፎናት ዓማዊሎም ብዙሕ ደንታ ዘይብለን ትካላት ድማ፡ ኣብዚታት ብዙሕ ከም ዘይግደሳን፡ ውሑድ ባትሪ ዘህልኽ መርበብ ንምምዕባል ብተገዳስነት ከምዘይሰርሓን ዶ\/ር ኣንጀላ ተመልክት። በዚ መሰረት መርበባት ሓበሬታ ነዚ ጸገም እዚ ንምቅላል ገለ ምምሕያሻት ክገብራ ከም ዝኽእላ ኸኣ እታ ተመራማሪት ኣተሓሒዛ ትገልጽ። ኣብ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ማሳቹሰትስ (MIT) ፕሮፌሰር ኮምፒተር ሳይንስ ሃሪ ባላክሻናን ከም ዝብሎ፡ እቲ ጸገም ኣብ መርበባት ሓበሬታ ጥራይ ዝሕጸር ከምዘይኰነ የረድእ። ትካላት ወሃብቲ መርበብ ኢንተርነት ዝኽተላኦ ኣገባብ ኣሰራርሓታት’ውን ባትሪ ብቕልጡፍ ክመውት ኣብ ምግባር ኣጃም ኣለወን። ብመገዲ ኢንተርነት ሓበሬታ ከነሰጋግር ኣብ እንደልየሉ እዋን፡ ኣቕራቢ ኢንተርነት ዝያዳ ሓይሊ ይፍኑ። እቲ ሓንሳእ ዝተፈነወ ጸዓት ግን፡ ዋላ’ውን ውሑድ ሓይሊ ዝሓትት ስራሕ እንተቐጸልና፡ እቲ መጀመርታ ዝተፈነወ ነዊሕ ክጸንሕን ዝያዳ ሓይሊ ባትሪ ክመጽን ዕድል ኣሎ። ፕሮፌሰር ሃሪ ከም ዝብሎ ድማ፡ እዚ ልዑል ሓይሊ ንባትሪና ኣዝዩ ቀልጢፉ የድክሞ። ሃልኪ ባትሪ ካብ ተሌፎን ናብ ተሌፎን ከም ዝፈላለን፡ እንጥቀመሉ ኔትዎርክ ኢንተርነት ከም ዝውስኖን እቲ መጽናዕትታት የመልክት። ስለዚ እዩ ድማ ኣብዚ እዋን ነዊሕ ዝጸንሕ ባትሪ ክህልወካ ተመራጺ ዝከውን። ‘3G’ ኣብ ግብሪ ምስ ወዓለ ኸኣ፡ እዚ ዓይነት ኔትወርክ ዝጠልቦ ዓይነት ባትሪ ክምዕብል ነይርዎ። ሞባይላትና፡ ብዙሓት ዝተፈላለየ መጠን ጸዓት ዝደልዩ መተግበሪታት [ኣፕሊኬሽን] ክጽዕና ዝኽእላ እየን። ብፍላይ ስክሪን ሞባይል ተሌፎናት ንምርኣይ ብዙሕ ሓይሊ እዩ ዘህልኽ። ሓደ ካብቶም ጸዓት ብምቝጣብ ዝልለዩ ኤሌክትሮኒካዊ መጽሓፍቲ እነንብበሉ ስክሪን ኪንድል እዩ። ኣብዚ ግዜና ካብ ዝተራእዩ እቲ ዝበለጸ ባትሪ ዝቝጥብ ቴክኖሎጂ ምዃኑ ክኢላታት ይሰማምዑ። ደጊምካ ብምምላእ እትጥቀመሉ ባትሪ ኣብ 1990ታት ክምሃዝ ከሎ፡ ስግንጢር’ዩ ነይሩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ተተካኢ ጸዓት ዝሓሸ ኣማራጺ ዝዀነሉ እዋን ተበጺሑ’ሎ። እንተዀነ፡ ባትሪ ተሌፎን ካብ ጸሓይ ብቐጥታ ከም ዝመልእ ክግበር ዝጸንሀ ፈተነታት፡ ዛጊት ከምቲ ዝድለ ክዕወት ኣይከኣለን ዘሎ። እቲ ኻልእ ፈተነ ድማ ንሓንቲ ተሌፎን ብማዕበል ራድዮ ‘ቻርጅ’ ንምግባር ዝፍተን ዘሎ እዩ። እዚ መጽናዕታዊ ፈተነ፡ ብዓበይቲ ኩባንያታት ጉግልን ኢንተልን ደገፍ ረኪቡ ዘሎ ኰይኑ፡ ኣብ ሲያትል ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ዋሽንግተን ተመራማሪ ዝዀነ ጀሽዋ ስሚዝ ዘበገሶ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። ተሌፎናት ካብ ማዕበላት ራድዮ ብቐሊሉ ሓይሊ ንኽረኽባ ንምግባር ዝግበር ዘሎ ፈተነ ንምዕዋት፡  መደበራት ቲቪ ኣሜሪካ፡ ካብ ተወራት ማዕበላተን ዘድሊ ሓይሊ ክውሰድ ፈቒደን ኣለዋ። ብመሰረት’ዚ መጽናዕቲ፡ ክሳብ 30 ኪሎ ሜተር ካብ ዝጓዓዝ ማዕበል ራድዮ እዩ ሓይሊ ክወስድ ዝፍተን ዘሎ። እንተዀነ እዚ ሓይሊ እዚ ደወል ተሌፎን [ድምጺ] እኹል’ኳ እንተዘይኰነ፡ ሓጸርቲ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ንምልውዋጥ ግን ዘኽእል እዩ። እዚ ኰይኑ ግን፡ ተሌፎን ባትሪ ከይወድአት ነዊሕ ንኽትጸንሕ ክሕግዝ ይኽእል’ዩ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1eqx5yw99o"} {"headline":"ኣብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ናይ ሓሶት ኣይፎን ብምፍራይ ዝተትሓዙ ቻይናውያን","content":"ፖሊስ ሞዛምቢክ ናይ ሓሶት ኣይፎን ብምፍራይ ዝተጠርጠረ ትካል ብምውራር ንቻይናውያን ወነንቱ ኣብ ቁፅፅር ኣውዒሉ። ሰበስልጣን ሞዛምቢክ፡ 1,165 ናይ ሓሶት ኣፕል ኣይፎን እየን ኢሎም ዝገመትወን ሞባይላትን ክልተ ዜጋታት ቻይናን’ዮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእቲዮም ኣለዉ። እተን ቴለፎናት ዝገጣጠማሉ ዝነበራ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ማፑቶ ዝርከብ መንበሪ ገዛ  ድሕሪ ዝተኻየደ ፈተሻ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ድማ ተፈሊጡ። እቶም ናይ ሓሶት ኣይፎን ስልክታት የዳልዉ ነይሮም ብዝብል ዝተጠርጠሩ ሰባት፡ ነተን ስልክታት ፍሉይ ተኸታታሊ ቁጽሪታት [unique serial numbers] ምሃብ ሓዊሱ ዝተሓላለኸ ቴክኒካዊ ኣገባባት ይጥቀሙ ከምዝነበሩ ፖሊስ ሓቢሩ። እቶም ጥርጡራት ዝኾነ ገበን ከምዘይፈጸሙ ገሊጾም ኣለዉ። ሰበስልጣን ጉምሩክ፡ ብመሰረት ዝበፅሖም ሓበሬታ ነቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ጥርጡራት ከምዝረኸብዎም ሓቢሮም። “ጥርጣረ ዘስዓበ ጥርዓን በጺሑና። ስለዚ ሓቅነቱ ንምርግጋፅ መስመራት ስርሒትና ብምዝርጋሕ ተንቀሳቒስና፤ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰሙን መርመራ ከኣ ነዚ ፋብሪካ ረኺብናዮ\" ይብል ኣብ ከተማ ማፑቶ በዓልስልጣን ጉምሩክ ጂኖ ጆኔ። ካብተን ዝተታሕዛ ስልክታት ገሊኤን ናብታ ሃገር ብኮንትሮባንድ ከም ዝኣተዋ ክጥርጠራ እንከለዋ፡ ገሊአን ድማ ብስርቂ ዝተኣከባ ምዃነን እቲ ሓላፊ ወሲኹ ሓቢሩ። እቲ ብዓል ስልጣን ግምሩኽ “መንበሪ ገዛ እዩ፤ ግን ድማ ከም ፋብሪካ እዩ ዘገልግል ነይሩ። ኣብዚ ሞባይላት ይስርሓ፤ IMEIs [ፍሉይ ተኸታታሊ መፍለዪ ቁጽሪ] ይግበረለንሞ ኣብ ከባቢ ኣልቶ-ማኤ ኣብ ዝርከብ ድኳን ይቕመጣን ይሽየጣን\" ኢሉ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cjjv880z7dyo"} {"headline":"ኣብ ወርሒ ማይ ክረክብ ዝጽዕር ዘሎ ኢትዮጵያዊ ሳይንቲስት","content":"ብዘይ ማይ ህይወት የለን። ደቂ ሰባት ኣብ ምድሪ ይኹኑ ኣብ ካልእ ኣድማስ፡ እቲ ብሂል ዝልወጥ ኣይኮነን። ናይ ናሳ ሮኬት፡ ኣርተሚስ 1 ንደቂ ሰባት ናብ ወርሕን ኪኖኡን ንምግዓዝ ዝዓለመ ዓቢ መደብ ዳህሳስ ህዋ ንምጅማር ኣብ ሓለፈ ሰሙን ተወንጪፋ'ያ። ኪኖ መሬት ማይ ብኸመይ ይርከብ ዝብል ጉዳይ መልሲ ክረክብ ግድን እዩ። እቲ ተሓሲቡ ዘሎ መደብር ወርሒ ብዘይ ማይ ዝኸውን ኣይኮነን። ዶክተር ብርሃኑ ቡልቻ ድማ ኣብታ እንኮ ተፈጥሮኣዊት ሳተላይት፡ ፕላኔትና ማይ ንምርካብ ዝሰርሕ ጉጅለ ይመርሕ ኣሎ። ማይ ካብ መሬት ክጓዓዝ ዝኽእል’ኳ እንተኾነ፡ ግን ክቡርን ኣዝዩ ውጽኢታዊ'ውን ኣይኮነን። ብዓቢኡ ኣብ ወርሒ ዝርከብ ማይ፡ ነዳዲ ሮኬት ንምስራሕ እውን ክውዕል ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ወርሒ ንተወሳኺ ጉዕዞ ህዋ መድረኽ መበገሲት ክትከውን የኽእላ። እዚ እንተኾይኑ፡ እቶም ናይ ፕላኔትና ስሕበት ንምብዳህ ዘድልዩ ዓበይቲ ሮኬታት ዘይከድልዩ ይኽእሉ ማለት እዩ። ዶክተር ብርሃኑን ጉጅለኡን ኣብ ወርሒ ዕቑር ማይ ኣበይ ከምዘሎ ብዘየማትእ መንገዲ ከለሊ ዝኽእል ቅድመ-መርኣያ ቀሊል ክብደት ዘለዎ ጥርኑፍ ስፔክትሮሜተር (ዝርገሐ ብርሃን ንምምዝጋብን ንምዕቃንን ዝውዕል መሳርሒ) ኣብ ምምዕባል ይርከቡ። ዶክተር ብርሃኑ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ናሳ ኮይኑ ብቴሌፎን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ \"እዚ ናይ ሚልዮን ዶላር ሕቶ'ዩ\" ኢሉ። እቲ ዶክተር ቅድሚ 12 ዓመት ናብ ምሩቓት ቤት ትምህርቲ ዩኒቨርሲቲ ቨርጂንያ ካብ ዝኣቱ ንደሓር፡ ንጸገማት ናሳ ዝፈትሑ መሳርሒታት ህዋ ኣብ ምምዕባል ኣተኲሩ ይሰርሕ ኣሎ - ብዘየማትእ መንገዲ ድማ ማይ ምድላይ እቲ ካብ ኩሉ ዝዓበየ ጸገም እዩ። ኣብ ወርሒ ገለ ማይ ምህላዉ ድሮ ተረጋጊጹ ኣሎ። እቲ ኣብ ሜላታት ምልላይ ማይ ዘሎ ጸገም ግን እቲ ብሃይድሮጅንን ኦክስጅንን ዝቖመ ማይ ይኹን ወይስ ካልእ ሃይድሮጅን ዝሓዘ ውህደት ሃይድሮክሲልን ፈልዮም ክፈልጡ ዘይምኽኣሎም እዩ። እቲ ዶክተር ብርሃኑ ዝሰርሓሉ ዘሎ ብጩራ ዝተሓገዘ መሳርሒ ግን ህላወ ማይ ንምምልካት ክውዕል ዝኽእል እዩ። ጉጅለኡ ነዚ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣጸጋሚ ዝነበረ 'ፍሪኩዌንሲ' ንምብጻሕ 'ኳንታም ካስኬድ ሌዘር' ዝበሃሉ ነገራት ኣብ ምምዕባል ከምዘለዋ ኣገልግሎት ዜና ናሳ ጸብጺቡ። ዶክተር ብርሃኑ፡ ጠፈርተኛታት ኣቀማምጣን መጠንን ማይ ንምርካብ ብኢድ ዝተሓዝ መሳርሒ ክጥቀሙ ዘኽእሎም ቅድሚ ሕጂ ዘይተፈጸመ ሓዱሽ ምዕባለ ቴክኖሎጂ ክብል ይገልጾ። እታ ንእሽቶ መሳርሒ ካብ ርሑቕ ብትእዛዝ ተሽከርካሪ እውን ክትዋፈር ትኽእል እያ። ዶክተር ብርሃኑ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብቲ ቅድመ-መርኣያ ምስራሕ ንኽቕጽል 2.5 ሚልዮን ዶላር ምወላ ተቐቢሉ እዩ። ንኽውዳእ ተወሳኺ ክልተ ዓመት ክወስድ ዝኽእል’ኳ እንተኾነ፡ ዶክተር ብርሃኑ ግን ክፍጸም ከምዝኽእልን ዝሰርሕ ከምዝኸውንን ተስፋ ከምዘለዎ ይዛረብ። ቆራጽነቱን ጽንዓቱን ዘጠራጥር ኣይኮነን - እዚኦም ድማ ንነብሱ ከም ዝገልጹ ባህርያት ይርእዮም። እዚ ወዲ 38 ዓመት መንእሰይ ኣብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ዝዓበየ ኮይኑ፡ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ድሕሪ ምዝዛሙ ግን ናብ ኣሜሪካ ከይዱ ኣብ ቨርጂንያ ኮመንዌልዝ ዩኒቨርሲቲ ፊዚክስን ምህንድስናን ክመሃር ከምዝኸኣለ ይፍለጥ። ኣብ ኣመሪካ ድማ ሰሪሑ ነብሱ ክሕግዝ ነይርዎ። \"ናብ ኣሜሪካ ክመጽእ ከለኹ ደገፍ ዝረኽበሉ መርበብ ኣይነበረንን፡ ንነብሰይ እየ ዝድግፍ ነይረ። ብሓቂ ካብቲ ዝዓበኹሉ ባህሊ ተነጺለ ኣብ ሓድሽ ባህሊ እየ ጥሒለ። እቲ ቀዳማይ ትሓስቦ ነገር ኣብ ትምህርቲ ኣበርቲዕካ ምስራሕን ምዕዋትን እዩ\" ይብል። ካብ ኢትዮጵያ ምውጻእ ሓደገኛ ስጉምቲ ምዃኑ እኳ እንተኣመነ፡ ምስ ምዕቡል ቴክኖሎጂታትን ኣብ መሳጢ ፕሮጀክትታት ምርምርን ናይ ምስራሕ ዕድላት ዕሸዕዕ ምባል ግን ኣጸጋሚ ከምዝነበረ ይኣምን። ናብ ኣድማስ ምጥማትን እንታይ ኣሎ ኢልካ ምሕሳብን ዝምልከት ተምሳጥ ግን ካብ ዓዱ ዝመጸ እዩ። ሃይማኖታዊ ክርስትያናዊ ኣተዓባብያ ከም ዝነበሮን ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ብኣጋኡ ምልላዩ ብዛዕባ ኣድማሳዊ ነገራት ብኸመይ ከም ዝመጹን ክሓትት ከም ዝደረኾ ይዛረብ። ኣብ ገለ ሰባት፡ ብጥብቂ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽታል ነቲ ዳህሳስ ዝተፈላለየ ሓሳባት ክዓግት ይኽእል እዩ፤ ንዶክተር ብርሃኑ ግን ኪኖ ገዛእ ርእሱ ክጥምት ገይርዎ። \"ነገራት ብኸመይ ከም ዝተፈጥሩ ኣዝየ እየ ተመሲጠ... ዝያዳ ናይ ምፍላጥ ኒሕ ነይሩ፡ ከምኡ'ውን ኣድማስ እንታይ ይመስልን ክሳብ ክንደይ ዓቢ ምዃኑን ዝያዳ ክፈልጥ ድሌት ነይሩኒ\" ይብል። ሕቶታት ንምሕታትን መልሲ ንምድላይን ዝነበሮ ድልውነት፡ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝዓበየ መንእሰይ ወዲ፡ ምናልባት ሓደ ካብቶም ንዝያዳ ዳህሳስ ህዋ ዝዕንቅፉ ቁልፊ ጸገማት ንምፍታሕ ክሕግዝ ገይርዎ ኣሎ። ንዕኡ ጻዕሪ ከምኡ’ውን ትኽክለኛ ምኽርን ኰስኮሳን ምርካቡ ዓቢ ዓወቱ ከምዝነበረ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ንሱ ግን \"እቲ ቀዳማይ ነገር ሕልሚ (ትምኒት) ክህልወካ፡ መደብ ሒዝካ ሕልምኻ ንምስኻዕ ምስራሕን'ዩ... ብርግጽ ብድሆታት የጋጥሙ እዮም ግን ኣይተቋርጽ፡ ስራሕካ ጥራይ ቀጽል\" ይብል።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c6pne0v10yzo"} {"headline":"ኣብ ዓመተ 2022  ሓሙሽተ ቢልዮን ሞባይል ቴለፎናት ክጉሓፋ’የን","content":"ኣብዛ ክትዛዘም ክልተ ኣዋርሕ ጥራይ ተሪፋታ ዘላ ዓመተ 2022 ብሓፈሻ፡ 5 ቢልዮን ሞባይላት ናብ ዳግማይ ምምስራሕ ከይኣተዋ ክጉሓፋ ምዃነን ዓለምለኻዊ ተቆጻጻሪ ኤሌትሮኒካዊ መሳሪሒታት (WEEE) ገሊጹ። እቲ ትካል ኣብ ዝድርበ ዘሎ ኤሌትሮኒካዊ መሳሪሒታትን ካብ ዓለምለኻዊ ንግዲ ኤሌትሪኖክስን ብዝረኸቦ ጸብጻብ ምርኩስ ብምግባር እዩ ነዚ ኣሃዝ ቀሚርዎ። ብዙሓት ሰባት ንዝገኣረጋ ሞባይላቶም ኣብ ክንዲ ናብ ዳግማይ ዝምስርሑ ትካላት ዝህብወን ወይ ዝሸጥወን ኣብ ገዝኦም ከምዘቐምጥወን’ዮም ጸብጻባት ዝሕብሩ። ኣብ ውሽጢ ገመዳት ናይ ሞባይላት ዝርከብ ኮፐርን ኣብ ባትሪ ናይ ሞባይል ዝርከብ ኮባልት ዝተብሃለ ክቡር ንጥረ ነገራት ተዓዲኖም’ዮም ዝርከቡ። ዳይሬክተር ዓለምለኻዊ ተቆጻጻሪ ኤሌትሮኒካዊ መሳሪሒታት ፓስካል ሊሮይ “ሰባት እዞም ኣብ ውሽጢ ሞባይላት ዝርከቡ ንጥረ ነገራት ዋጋ ዘለዎም ኣይመስሎምን’ዩ፡ እታ ሞባይል ምስራሕ ዋላ ተቋርጽ እቶም ኣብ ውሽጣ ዝርከቡ ኮፐርን ኮባልትን ግን ዳግማይ ከገልግሉ ይእኽሉ’ዮም፡ ነዚ ብደረጃ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ሞባይላት እንተሓሲብናዩ ብዙሕ’ዩ” ኢሉ። ኣብ ዓለም 16 ቢልዮን ሞባይላት ከም ዘለዋ’ዩ ግምት ዘሎ፡ ካብተን ኣብ ኣውሮጳ ዝርከባ ሞባይላት ኸኣ እተን ሓደ ሲሶ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ዝኾና’የን። ዓለምለኻዊ ተቆጻጻሪ ኤሌትሮኒካዊ መሳሪሒታት ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዓለም ክንዲ ዓቢ እምባ ዝኸውን ጉሓፍ ናይ ኤለትሮኒካዊ መሳርሒታት ከምዘሎ ብምግላጽ፡ እቲ ካብ መሕጻቢ ማሽን፡ መውዓዪ መግቢ፡ ታብለት፡ ኮምፒተር፡ ጂፒኤስን ሞባይላትን ዝውህለል ጉሓፍ ኣብ ዓመተ 2030 ናብ 74 ሚልዮን ቶን ክብ ክብል ከምዝኽእል ግምቱ ሂቡ’ሎ። ኣብ መጀመርታ ናይ'ዚ ዓመት ‘ሮያል ሶሳይቲ ኬሚስትሪ’ ዝተብሃለ ትካል ካብ ዝተደርበየ ኤሎትሮኒካዊ መሳርሒታት ኣገደስቲ ንጥረ ነገራት ንምምስራሕ ዝጽውዕ ጎስጓስ ምጅማሩ ዝዝከር’ዩ። ኣባል ዓለምለኻዊ ተቆጻጻሪ ኤሌትሮኒካዊ መሳሪሒታት ዝኾነት ማግዳሊና ቻርይታኒዊከዝ “እዚ ዝጉሓፍ ኤሌትሮኒካዊ መሳርሒታት ሓደሽቲ ኤሎትሮኒካዊ መሳሪሒታት ንምምስራሕ ኣዝዩ ዓቢ ግደ’ዩ ዘለዎ፡ ከም ናይ ንፋስ መመንጨዊ ጽዓት [ዊንድ ተርባይን] ባተሪ ናይ መኪናን ካልእን ካብዚ ክስራሕ ይኽእል’ዩ” ትብል። ካብቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝድርበ ኤሎትሮኒካዊ መሳርሒታት፡ እቲ 17 ሚእታዊት ጥራይ’ዩ ዳግማይ ዝምስራሕ፡ ካብ ዝመጽእ ዓመት ጀሚሩ ግን፡ እቲ ዳግመ ምምስራሕ ናብ 30 ሚኢታዊት ክብ ክብል ሕቡራት ሃገራት ወጢኑ ኣሎ። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ጥራይ ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ ኣብ ገዛ ብጥዕንኡ ዝርከብ ግን ሰብ ዘይግልገለሉ 5.63 ቢልዮን ፓውንድ ዝዋግኡ ኤለትሮኒካዊ ኣቑሑት ከምዘሎ መጽናዕትታት ይሕብሩ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3g9wrgq033o"} {"headline":"ስታርሊንክ፡ ኢሎን መስክ ስለምንታይ ኣሽሓት ሳተላይታት የወንጭፍ ኣሎ?","content":"ዋንነት ኢሎን መስክ ዝዀነ ኩባንያ ስፐይስኤክስ፡ ናብ ምህዋር [ቅናት-ምድሪ] ኣሽሓት ሳተላይታት ከወንጭፍ ጸኒሑ ኣሎ። ነዚኦም ከኣ ብዙሓት ሰባት ኣብ ሰማያት ክሕምበቡ ርእዮምዎም’ዮም። እዚ ክፋል ፕሮጀክት ስታርሊንክ ኰይኑ፡ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዓለምና፡ ዝለዓለ ፍጥነት ዘለዎም ኣገልግሎታት ኢንተርነት ካብ ህዋ ንምሃብ ዝሰርሕ ፕሮጀክት እዩ። ስታርሊንክ፡ ብዓበይቲ ሳተላይታት ኣቢሉ ኣገልግሎታት ኢንተርነት እዩ ዝህብ። ቀንዲ ዕላማኡ፡ ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ከባቢታት እዛ እንነብራ ዘለና ምድሪ ንዝነብሩ ሰባት ዝለዓለ ፍጥነት ዘለዎ ኢንተርነት ከም ዝረኽቡ ምግባር እዩ። እዚ፡ ኣብ ብሪጣንያ ዝነበሩ ሰባት’ውን ተጠቀምቱ ዝገብር ፕሮጀክት ኣብ ኣፍሪቃ ዝበሉ ካልኦት ከባቢታት ዝነብሩ ሰባት ኢንተርነት ክረኽቡ ንምግባር ከም ዝሰርሕ ኣካያዲት ስራሕ ፕሮጀክታት ህዋ ዩኒቨርሲቲ ፖርትስማውዝ ዶክተር ሉሲንዳ ኪንግ ትዛረብ። ሳተላይታት ስታርሊንክ፡ ካብ ምህዋር ቅሩብ ትሕት ኢሎም ኣብ ጥቓ መሬት ዝተቐመጡ ኰይኖም፡ እዚ ኣብ ሞንጐ እቶም ሳተላይታትን መሬትን ዘሎ ርክብ ፍጥነት ክህልዎ ንምግባር ዝዓለመ እዩ። ይዅን’ምበር፡ ኣብ መላእ ዓለም ምሉእ ሽፋን ኢንተርነት ንምሃብ ተወሳኺ ሳተላይታት የድልዩ’ዮም። ስታርሊንክ፡ ካብ 2018 ጀሚሩ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሳተላይታት ከም ዘቐመጠ ይንገር። ኣብ ቀረባ ካብ 10 ሽሕ ክሳብ 12 ሽሕ ሳተላይታት ክጥቀም ከም ዝኽእል ክሪስ ሆል ይዛረብ። “ሳተላይታት ብምጥቃም፡ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ኣብ ዘለው በረኻታትን እምባታትን ኢንተርነት ናይ ምርካብ ዘሎ ጸገም ምፍታሕ ይክኣል እዩ። ነዞም ከባቢታት ንምብጻሕ ካልኦት ትሕተ ቕርጺ ናይ ምህናጽ ድኻም’ውን የወግድ” ኢሉ። ምስቲ ልሙድ ኢንተርነት ብምንጽጻር፡ ስታርሊንክ ሕሱር ኣይኰነን። ኣብ ወርሒ፡ ንተጠቀምቲ 99 ዶላር የኽፍል። ናብቲ ሳተላይት ንምርኻብ ዘድልዩ ሸሓነን [ዲሽ] ራውተርን ክኣ 549 ዶላር ይሓቱ። እንተዀነ፡ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ጥራይ 96 ሚእታዊት ተጠቀምቲ እዚ ልዑል ፍጥነት ዘለዎ ኢንተርነት እዮም። ኣብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ክኣ 90 ሚእታዊት ሰባት ተጠቀምቲ ኰይኖም ኣለው። “መብዛሕትኡ ምዕቡል ዓለም ድሮ ተጠቃሚ ኰይኑ ኣሎ” ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ለንደን ኢንስቲትዩት ፖሊሲ ህዋን ሕግን ፕሮፌሰር ሰዒድ ሞስትሻር። እቲ ኩባንያ፡ ኣብ 36 ሃገራት 400 ሽሕ ተጠቀምቲ ኣለውኒ ይብል፤ እዚኦም መብዛሕትኦም ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኤውሮጳን ኣውስትራሊያን ዝርከቡ ሰብ ሃብትን ውልቀሰባትን እዮም። ኣብ ዝቕጽል ዓመት፡ ስታርሊንክ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ደቡብ ኣሜሪካን ኤስያን ዘለዎ ተበጻሕነት ከስፍሕ መደብ ኣለዎ። ክሪስ ሆል ግን፡ “ኣብ ኣፍሪቃ ንብዙሓት ተጠቀምቲ ዋጋ ስታርሊንክ ኣዝዩ ክቡር ክኸውን ይኽእል እዩ። ግን ከኣ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርትን ሆስፒታላትን ንምርኻብ ኣዝዩ ጠቓሚ እጃም ከበርክት ይኽእል’ዩ” ይብል። ሓይልታት ሩስያ ኣብ ዩክረይን እናደፍኡ ምስ መጽኡ፡ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣጥፊኦም፣ ማሕበራዊ ሚድያ'ውን ክዓጽውዎ ፈቲኖም። ወራር ሩስያ ምስ ተጀመረ፡ ኢሎን መስክ ብቐጥታ'ዩ ስታርሊንክ ኣብ ዩክረይን ከም ዝሰርሕ ገይሩ። ኣስታት 15 ሽሕ ሸሓነታትን ራውተራትን ስታርሊንክ ድማ ናብታ ሃገር ተላኢኾም። “ስታርሊንክ፡ መንግስታውን ህዝባውን ኣገልግሎታት ክቕጽሉ ገይሩ’ዩ። ሩስያውያን ከኣ ነዚ ከዐንቅፍሉ ዝኽእሉ መገዲ ኣይረኸቡን” ይብል ክሪስ ሆል። እዚ፡ ኣብ ዓውደ ውግኣት’ውን ውዒሉ’ዩ። “ንኣብነት፡ ኣዘዝትን [ኣብ ኪቭ ዘለው] ኣብ ውግእ ዘለው ወተሃደራትን ዩክረይን ንምርኻብ ይጥቀምሉ ኣለው። እቲ መስመራት ልክዕ ከም ማዕበል ራድዮ ክትዕፍኖ ኣይትኽእልን። ንኸተዳልዎ’ውን 15 ደቒቕ ጥራይ’ዩ ዝወስድ” ትብል ተመራማሪት መጽናዕታት ምክልኻል ኪንግስ ኮሌጅ ለንደን ዶክተር ማሪና ሚሮን። ካብ ስታርሊንክ ብተወሳኺ፡ ከም ዋንዌብን ቪሳትን ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት ኢንተርነት ሳተላይት ዝህቡ ትካላት’ውን ኣብ ትሑት ምህዋር መሬት ኣሽሓት ሳተላይታት የቐምጡ ኣለው። ስዒድ፡ እዚ ናብ ጸገም ከምርሕ እዩ ይብል። ኣብ መንጐ \"ምርጻም ከጋጥም ስለ ዝኽእል፡ ድሕነት ህዋ ዝተሓተ’ዩ ዝገብሮ። ሳተላይታት ካልኦት ሳተላይታት ብምህራም ስብርባራት ክፈጥሩ ይኽእሉ’ዮም። እዚኦም ድማ ኣብ እዋን በረራ ልዑል ፍጥነት ክህሉ እንከሎ ጕድኣት ከውርዱ ይኽእሉ” ኢሉ። ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ጥቓ ማእከል ህዋ ቻይና ዝርከቦም ብርክት ዝበሉ ሳተላይታት ስታርሊንክ ተራጺሞም’ዮም። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፖርትስማውዝ ማኔጀር ፕሮጀክታት ህዋ ዶክተር ሉሲንዳ ኪንግ: “ብርክት ዝበሉ ስብርባራት እንተሃልዮም፡ ንቐጻሊ ትሑት ምህዋር መሬት ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ክገብሩዎ እዮም። ብተወሳኺ፡ ካብ ትሑት ምህዋር መሬት ሓሊፍና ናብቶም ናይ ቴሌኮምን ሓበሬታን ሳተላይታት ተተኺልሉ ዘሎ ልዑል ምህዋር ክንከይድ ኣይንኽእልን\" ትብል። ብኻልእ ወገን፡ ሳተላይታት ስታርሊንክ ንተመራመርቲ ከዋኽብቲ [ኣስትሮነመራት] ጸገማት ይፈጥራሎም ኣለዋ። ጸሓይ ክትወጽእን ክትዓርብን እንከላ፡ ጸሓይ ኣብ ኣኽናፎም ስለ እተብርህ ብዓይኒ ክርኣዩ ይኽእሉ’ዮም። እዚ ኸኣ፡ ኣብ ምስልታት ቴሌስኮፕ ናይ ብርሃን ሕንጻጽ ብምፍጣር ንምስሊ ከዋኽብትን ፕላኔታትን ይሽፍኖ። \"ንሳቶም እቲ ጸገም ስለ ዝርኣዩዎ፡ ኣቐዲሞም ተቓዊሞም’ዮም” ይብል ፕሮፌሰር ሞስትሻር።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2l7gzje20o"} {"headline":"ኢሎን መስክ፡ 'ዝትክኦ ሓደ ዓሻ' ምስረኸበ ሓላፍነቱ ከምዝሓድግ ኣፍሊጡ","content":"ኢሎን መስክ፡ \"ክትክኦ ዝኽእል ሓደ ዓሻ\" ምስረኸበ ካብቲ ኣብ ትዊተር ዘለዎ ናይ ዋና ፈጻምነት ስራሕ ከምዝወርድ ኣፍሊጡ። እቲ ቢልየነር፡ ብውጽኢት ናይቲ ኣብ ሓላፍነቱ ይቐጽል ዶ ኣይቐጽል ዝብል ድምጺ ተጠቀምቲ ተገዛኢ ከምዝኸውን ዝገለጸ ኰይኑ፤ 57.5 ሚእታዊት ካብ ኣድመጽቲ ካብ ሓላፍነቱ ክእለ ኣድሚጾም። ኢሎን ዝትክኦ ምስረኸበ ካብ ዋና ፈጻምነት ዝወርድ'ኳ እንተዀነ፡ ንጕጅለታት ሶፍትዌርን ሰርቨርን እቲ ትካል ምምርሑ ግን ክቕጽል እዩ። ነቲ ትካል ካብ ዝገዝኦ ጀሚሩ ኣብ ትዊተር ዝተገበሩ ለውጢታት ብብዙሕ ክንቀፉ ጸኒሖም እዮም። እቲ ቢልየነር ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ንትዊተር ምስ ገዝኦ፡ ፍርቂ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ዝሰጐገ ኰይኑ፡ ናይ ትዊተር ሕሳብ መረጋገጺ ምልክት ንምርካብ ብኽፍሊት ክኸውን እውን ወሲኑ። ኣብ ቍጽጽር ልጣፋት ዝወሰዶ ስጕምቲ፡ ናይ ጽልኣት ዘረባን ስኑዕ ሓሬታን ዝውስኽ እዩ ዝብል ወቐሳ ሲቪክ ማሕበራት ኣስዒቡሉ እዩ። ትዊተር ናይ ዝተወሰኑ ጋዜጠኛታት ሕሳብ ክዕጾ ብምግባሩ፡ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣውሮጳን ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ንኢሎን መስክ ኰኒኖም እዮም። ብፍላይ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ትዊተር ማዕቀብ ከምዘንብር ክገልጽ እንከሎ፡ እቶም ዝተዓጽዉ ሕሳባት ትዊተር ፍሉጣት ጋዜጠኛታት ጸኒሖም ክኽፈቱ ተገይሩ። መስክ ነቲ ትካል ዝመርሕ ሓላፊ ንምርካብ ከቢድ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ገሊጹ ዘሎ። ገለ ሰባት ድማ ካብ መስረትቲ እቲ ትካል ሓደ ዝነበረ ጃክ ዶርሰይ ክምለስ ከምዝኽእል ይግምቱ። ዶርሰይ ኣብ ሕዳር 2021 እዩ ካብ ሓላፍነት እቲ ትካል ለቒቝ። እቲ ቢልየነር ድሕሪ'ቲ ተጠቀምቲ ዝሃብዎ ድምጺ፡ \"ነቲ ትዊተር ብህይወት ክቕጽል ዝገብር ስራሕ ዝደልዮ ሰብ የለን\" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። ካብ ሓለፍቲ ፈይስቡክ ዝነበረት ሸሪል ሳንድበርግ፡ ናይ ቀረባ መሓዛ መስክ ዝዀነ መሃንድስ ስሪራም ክሪሽናን ከምኡ'ውን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዝነበረ ሰብኣይ ጓሉ ንዶናልድ ትራምፕ፡ ጃረድ ኩሽነር ካብቶም ክትክእዎ ይኽእሉ ተባሂሎም ዝግመቱ እዮም። መስክ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ትዊተር ንዝተወሃቡ ድምጺታት ከኽብር ዝጸንሐ ኰይኑ \"ድምጺ ህዝቢ ከም ድምጺ ኣምላኽ እዩ\" ዝብል ብሂል ላቲን ክደጋግም ይስማዕ። መረጋገጺ ምልክት ሕሳብ ትዊተር ንዝተወሰነ እዋን ደው ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተጀሚሩ። እቲ ኣገልግሎት ወርሓዊ 8 ዶላር፡ ኣብ ኣፕል ሞባይል ንዝጥቀሙ ድማ 11 ዶላር ዘኽፍል ኰይኑ፡ ተጠቀምቲ ትዊተሮም ሰማያዊ መደብ ዘለዎ ምልክት ራይት ይህልዎ። ቅድም ክብል እዚ ምልክት እቲ ትዊተር ዝተረጋገጸ ምዃኑ ዝሕብርን ዘይክፈሎን እዩ ነይሩ። ኢሎን መስክ ንኩባንያ ተስላ ብግቡእ ክመርሖ ኣይከኣለን ዝብሉ ኣውፈርቲ፡ ካብ ትዊተር ሓላፍነቱ ክወርድ ክጽውዑ ጸኒሖም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዋጋ ብጽሒታት እቲ ኤሌክትሪክ መካይን ዘፍሪ ትካል ብልዕሊ 65 ሚእታዊት ወሪዱ። እቲ ቢልየነር ንትዊተር ንምግዛእ ናይ ቢልዮናት ብጽሒታት ተስላ ዝሸጠ ኰይኑ፡ እዚ ስጕምቲ ዋጋ ብጽሒታት ክቕንስ ገይሩ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cy0n0lne1yjo"} {"headline":"ቅድሚ 30 ዓመት ኣብ ኢንተርነት ዝተለጠፈ ናይ ፈለማ ማሕበራዊ ስእሊ","content":"18 ሓምለ 1992 ሓደ ስእሊ ኣብ ኢንተርነት ክልጠፍ እንከሎ ንምጅማር ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝደረኸ ነይሩ። እቲ ንሰራሕተኛታት ናይቲ ፍሉጥ ሰርን ላባራቶሪ ዘርእይ ስእሊ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኢንተርነት ዝተለጠፈ ማሕበራዊ ስእሊ ኸኣ ኰነ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72m17rlg8zo"} {"headline":"'ታሪኽ ዓድዋ ብቨርችዋል ሪያሊቲ ንሓድሽ ወለዶ ንምፍላጥ ይስራሕ'ሎ''","content":"ሜቲ ግርማ ኣካያዲት ስራሕ ጉዞ ቴክኖሎጅስ ኮይና ምስ ካልኦት ሰብ ሞያ ሶፍት ዌር ምህንድስና ብምዃን ሓድሽ ወለዶ ታሪኽ ዓድዋ ብመገዲ ቨርችዋል ሪያሊቲ ንኽፈልጥ ትጽዕር ከምዘላ ገሊጻ። ንኣብነት ታሪኽ ኵናት ዓድዋ ናብ ድጅታል ቀይሮም ሰባት ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ኣፍልጦ ክህልዎም ከምዝገበሩ ንቢቢሲ ሓቢራ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv297rw5y69o"} {"headline":"ዓርሞሸሽ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ስለምንታይ ሰራሕተኛታት ይቕንሱ ኣለዉ?","content":"ካብ ኣማዞን ከም ዝተቐነሱ ዝገልጹ ሰራሕተኛታት ኣብ ሊንክዲን ሓበሬታ ድሕሪ ምክፋሎም'ዩ እቲ ትካል ሰራሕተኛታት ይቕንስ ከም ዘሎ ተፈሊጡ። ጸኒሑ ሓላፊ ምህዞ እቲ ትካል ዴቭ ሊምፕ “ካብቲ ናይ ምህዞን ኣገልግሎትን ትካል ብዙሓት ተውህቦ ዘለዎም ኣማዞናውያን ክንስእን ምዃንና የሕዝነኒ” ኢሉ። ኣብ ከም ትዊተር፣ ሜታ፣ ኮይንቤዝን ስናፕን ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ሓደሽቲ ዕድላት ስራሕ ኣብ ምድላይ ከም ዝርከቡ ክገልጹ ጸኒሖም። ለይኦፍስ ዝተባህለ ድረ ገጽ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 120 ሽሕ ዝዀኑ ዕድላት ስራሕ ተዓጽዮም እዮም። ብዙሓት ትካላት ሰራሕተኛታት ዝቕንሱሉ ምኽንያት እኳ ዝተፈላለየ እንተዀነ፡ ሓበራዊ ዕላማታት ግን ኣለዎም። ብሰንኪ ለበዳ ኮረናቫይረስ መብዛሕትኦም ስራሕቲ ብኦንላይን ክስርሑ ምስ ጀመሩ፡ ብዙሓት ሓለፍቲ ትካላት ቴክኖሎጂ፡ እቲ ጽቡቕ ዕድል ንኩሉ ሻዕ ዝቕጽል መሲልዎም ነይሩ። ንኣብነት ኩባንያ ሜታ፡ ኣብ መፈለምታ ትሸዓተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት ጥራሕ ልዕሊ 15 ሽሕ ሰራሕተኛታት ቘጺሩ። እቶም ኣብዚ እዋን ሰራሕተኛታት ዝቕንሱ ዘለዉ ሓለፍቲ ድማ እቲ ስልሒት ጌጋ ምንባሩ ይገልጹ። 13 ምኢታዊት ካብ ሰራሕተኛታቱ ዝቐነሰ፡ ዋና ፈጻሚ ማርክ ዙከርበርግ “ነቲ ወፍሪ ናይ ምውሳኽ ውሳነ ዝገበርኩዎ ኣነ እየ” ክብል ንሰራሕተኛታቱ ነጊርዎም። “እንተዀነ እቲ ኩነታት ከምቲ ዝተጸበኹዎ ኣይከደን።” ኣብ ኦንላይን ዝስርሑ ናይ ምህርቲ ምውዕዋዓት፡ ቀንዲ ምንጪ ኣታዊ ብዙሓት ኩባንያታት ቴክኖሎጂ እዮም። እንተዀነ እቲ ናይ ምውዕዋዕ ንግዲ ጸሊም ደበና ካብ ዘንጸላልዎ ጸኒሑ እዩ። ትካላት ኣብ ዝልእኽዎም ናይ ምህርቲ ምውዕዋዕ ንጥፈታት ተቓውሞ እናዓበየ መጺኡ። ንኣብነት ኣፕል ንጥፈታት ዓማዊል ኣለሊኻ ናይ ዝደልይዎ መወዓውዒ ንምልኣኽ ከቢድ ክኸውን ገይሩ። እቲ ቁጠባ እናደኸመ ብምምጽኡ ድማ ፡ ብዙሓት ንኦንላይን መወዓውዒ ዘውጽእዎ ባጀት ቀኒሶም። መጠን ወለድ ጽላት ፋይናንሻል ቴክኖሎጂ እናወሰኸ ምምጽኡ ንኩባንያታት ጎዲእዎም። “ንመብዛሕትኦም ዓበይቲ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ፡ ብኣታዊኦም ዝሓረቑሉ ርብዒ ዓመት እዩ ነይሩ” ይብል ተንታኒ ቴክኖሎጂ ፓኦሎ ፐስካቶረ። “ማንም ዝተጻወሮ የለን።” ዋና ፈጻሚ ስራሕ ኩባንያ ኣፕል ቲም ኩክ፡ ሕዚ እውን ሰራሕተኛታትኳ ንቖጽር እንተሃለና ግን ብጥንቃቐ እዩ ክብል ተዛሪቡ። ኣማዞን፡ ሰራሕተኛታት ክቕንስ ዘገደዶ ምኽንያት፡ “ዘይተለመደን ዘየተኣማምንን ኩነታት ማክሮ ኢኮኖሚ” ክብል ዝገለጾ ኮይኑ ኣብቶም ንዓማዊል ዘገድሱ ጠለባት ከተኩር ከም ዝተገደደ ሓቢሩ። ኣውፈርቲ፡ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ዝተጋነነ ወጻኢ የውጽኡን ምዝሕሓል ኣብ ዝህሉ ድማ ቀልጢፎም ምትዕርራይ ኣይገብሩን ክብሉ ይኸሱዎም። ጎስጓስን ኣውፋርን ሰር ክሪስቶፈር ሆን፡ ቀንዲ ወናኒ ትካላት ጉግልን ዩትዩብን ናብ ዝዀነ ኣልፋ-ቤት ኣብ ዝጸሓፎ ድብዳበ፡ እቲ ትካል መሃያን ሰራሕተኛታትን ክቕንስ ሓቲቱ እዩ። ኢሎን መስክ እውን ካብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝገዘኦ፡ ኣታዊ ንምርካብ ኮነ ሓደሽቲ ተጠቀምቲ ንምስሓብ ዝቃለስ ዘሎ ትዊተር፡ ወጻኢታት ክቕንስ ዝኽእለሉ ሃዋህው ከም ዘሎ እዩ ዝኣምን። ዛጊድ ፍርቂ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ዝነከየ ክንሱ፡ ነቶም ዝተረፉ እውን ኣዐርዩ ጥቡቕ ናይ ስራሕ ስርዓት ከም ዝጽበዮም ኣፍሊጡ ኣሎ። ትማሊ ሰሉስ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ነዊሕ ሰዓት ክሰርሑ እንተዘይኰይኑ ክለቁ ከም ዝነገሮም እውን መራኸቢ ብዙሃን ኣመሪካ ገሊጸን። ኣብ ከም ቨርቹዋል ሪያሊቲን ብዘይ ዘዋሪ ዝንቀሳቐሳ መካይንን ዝኣመሰሉ ቀልጢፎም ከስቢ ዘየምጽኡ ስራሕቲ ዘሎ ድልየት እናነከየ ይመጽእ ከም ዘሎ እውን እዮም ሰብ ሞያ ዝሕብሩ። ገለ ኣውፈርቲ እቲ ኣብዞም ኢንዳስትሪታት ዘሎ ልዑል መሃያን ኣታውን ዘላቒ እዩ ኢሎም ኣይኣምኑን። እንተዀነ ዋላ'ኳ እዞም ዓበይቲ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ብቁጠባ ይህሰዩ እንተሃለዉ ፡ ናብ ምውዳቕ ዝቀራረቡ ግን ኣይኰኑን። እቲ ኣማዞን ተሊምዎ ዘሎ ምንካይ 10 ሽሕ ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ታሪኹ ዝለዓለ ይኹን እምበር እዚ ቑጽሪ ካብ ሰራሕተኛታቱ 3 ምኢታዊት ጥራሕ ዝሽፍን እዩ። በቲ ስጉምቲ ብዙሓት ዓቕሚ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ይሰናበቱ ብምህላዎም ድማ ሓደሽቲ ስራሕቲ ክፍጠሩ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c51exp117z8o"} {"headline":"ኣብያተ ጽሕፈት ትዊተር ክሳብ ቀጻሊ ሰሙን ከምዝዕጸዉ ተገሊጹ","content":"ትዊተር ንግዚኡ ህንጻታት ቤት ጽሕፈታቱ ከም ዝዕጸዉ ንሰራሕተኛታቱ ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ናብ ሰራሕተኛታቱ ዝለኣኾን ቢቢሲ ዝረኣዮን ኢሜይል፡ እቶም ቤት ጽሕፈታት “ሽዑ ንሽዑ” ከም ዝዕጸዉ ዘመልከተ ኰይኑ፡ ሰኑይ 21 ሕዳር ክኽፈቱ ምዃኖም ይገልጽ። እንተዀነ እቶም ኣብያተ ጽሕፈት ዝዕጸውሉ ዘለው ምኽንያት ኣይተገለጸን። ሓድሽ ወናኒ እቲ ትካል ኢሎን መስክ፡ ሰራሕተኛታት “ንነዊሕ ሰዓታት ብጻዕቂ ክሰርሑ” እንተዘይኰይኑ ስራሕ “ክለቁ” ጻውዒት ምቕራቡ ስዒቡ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ስራሕ ከም ዝገደፍዎ ጸብጻባት ይወጽኡ ኣብ ዘለውሉ'ዩ እቲ ትካል ኣብያተ ጽሕፈታቱ ይዓጹ ዘሎ። ኣብቲ ኢሜይል“በጃኹም፡ ምስጢራዊ ሓበሬታታት እቲ ኩባንያ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ፣ መራኸቢ ብዙሃን ይኹን ካልእ ካብ ምዝራብ ብምቑጣብ ምስ ፖሊሲታት እቲ ኩባንያ ምትሕብባርኩም ቀጽሉ” ዝብል መልእኽቲ እውን ተጻሒፉ ኣሎ። ትዊተር ነዚ ዛዕባ ኣመልኪቱ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ  ቅልጡፍ ምላሽ ኣይሃበን። መስክ ኣብዚ ሰሙን ሰራሕተኛታት ትዊተር ነዊሕ ሰዓታት ክሰርሑን ኣዐርዮም ንጥፉት ክዀኑን እንተዘይኮይኑ ካብቲ ትካል ክለቁ ከም ዝነገሮም ጸብጻባት ሓቢሮም እዮም። ዋሽንግተን ፖስት፡ እቲ ሓድሽ ወናኒ እቶም ሰራሕተኛታት ኣብቲ ትካል ክቕጽሉ እንተደልዮም ነቲ ጻውዒት ክኽብሩ ከም ዝነገሮም ጸብጺቡ። ክሳብ ሓሙስ 17 ሕዳር 2022 ዘይፈረሙ ድማ ናይ ሰለስተ ወርሒ ትሕጋግ ከም ዝወሃቦም ኢሎን መስክ ገሊጹ። ትዊተር 50 ምኢታዊት ሰራሕተኛታቱ ከም ዝቕንስ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ገሊጹ እዩ። ሓዱሽ መምርሒ እቲ ቢልየነር ኣይንቕበልን ዝበሉ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ነቲ ትካል ከም ዝገደፍዎ ዘርእዩ ምልክታት ምውጸኦም ስዒቡ እዩ እቲ ትካል ቤት ጽሕፈታቱ ብጊዝያውነት ከም ዝዓጹ ሓቢሩ ዘሎ። ብዙሓት ሰራሕተኛታቱ፡  ስራሕ ይለቁ ከም ዘለዉ ዘርእይ ሃሽታግ ከካፍሉ ተራእዮም። ሓደ ሽሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሰራሕተኛ “እቲ ዋዕዋዕ ሎሚ ምስ ሃደአ፡ (እቲ ትካል) ትሕቲ 2 ሽሕ ሰራሕተኛታት እዮም ክተርፍዎ ዝኽእሉ” ኢሉ። ብተወሳኺ ኩሎም ኣብ ናቱ ጉጅለ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ከም ዝለቐቁ ገሊጹ። ቅድሚ ኢሎን መስክ ነቲ ትካል ምግዝኡ፡ ትዊተር ኣስታት 7500 ሰራሕተኛታት ነይሮምዎ። እቲ ትካል ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ናይ ኩንትራት ሰራሕተኛታት እውን ዝነበርዎ ኰይኑ፡ መብዛሕትኦም ተቐኒሶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት። ሓደ ካልእ ሰራሕተኛ ብወገኑ ዋላ'ኳ ነዊሕ ሰዓታት ንምስራሕ ተሰማሚዑ እንተነበረ “ብኢሜይል ገይሩ ንዘፈራረሐና ሰብ ኣይሰርሕን” ብምባል ነቲ ስራሕ ከም ዝገደፎ ተዛሪቡ። እቲ ዝሃብተመ ሰብ ዓለምና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንትዊተር ብ 44 ቢልዮን ዶላር ድሕሪ ምግዝኡ ዋና ፈጻሚ እቲ ትካል ኰይኑ። ትዊተር ቤት ጽሕፈታቱ ይዓጹ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላጹ፡ መስክ ኣብ ትዊተር “ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብኸመይ ቁሩብ ከስቢ ክትረክብ ትኽእል? በቲ ዓብዪ ጀምር” ክብል ጽሒፉ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crg24rj84v2o"} {"headline":"ሓንጎል ደቂ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ፍልልይ ኣሎዎ ድዩ?","content":"ንሓንጐልና ኣጕሊሁ ብዘርኢ መነጸር ምስእንርእዮ ብዙሓት ሰራውር ደምን ሕልኽላኽ ዝበዝሖም መትንታትን ካብ ምርኣይ ካልእ እንርእዮ የለን። እንተኾነ ሓንጐልና መንነትና፡ ኣተሓሳስብናን ስምዒታትናን ኢሉ’ውን ፍልፍል ምኽንያታውነትን ብውጽኢት እንኣምን ከምዝዀንና ዝገብር ኣካል ሰብነትና እዩ። በዚ ድማ ሓንጐል ክልኡ ጾታ ዝሕመ ኣይኮነን። እንተዀነ ምሁራን እቲ ዓውዲ ሓንጐል ተባዕታይን ኣንስታይን ሓደ ድዩ ወይስ ፍልልይ ኣለዎ? ዝብል ሕቶ የልዕሉ’ዮም። ውሽጣዊ ክፋል ሓንጐልና ካብ ሽክና ርእስና ኣውጺእና ንኻልእ ሰብ እንተነርእዮ ናይ ተባዕታይ ይዅን ኣንስታይ ኢልካ ንምፍላይ ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ። ተመራመርቲ ሓንጐል ተባዕታይን ኣንስታይን ጾታ ሓደ ዓይነት ወይስ ዝፈላለ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ክሳብ ሎሚ ኣብ ክትዕ’ዮም ዝርከቡ። እዚ ንምፍላጥ ካብ ዘካይድዎም ምርምራት እቲ ሓደ ሓንጐል ክልቲኦም ጾታ ቀልቢ ዝሓቱ ተግባራት ክውግኑ ምግባር’ዩ። ብመሰረት እዚ መጽናዕቲ ኣብ ዓለም ካብ ዝተኻየዱ ምርምራት፡ ተባዕትዮ ካርታ ኣንቢቦም ኣንፈት ቦታታት ተረዲኦም እቲ ቦታ ብምርካብ ካብ ደቂ ኣነስትዮ ብ50 ሚእታዊት በሊጾም ተረኺቦም። በቲ ካልእ ወገን ድማ ደቀንስትዮ ኣብ ውሱን ሰዓታት ብዙሓት ተግባራት ብምውጋን ካብ ተባዕትዮ በሊጸን ተረኺበን። እቶም ተመራመርቲ ነዚ ንምርግጋጽ ንተሳተፍቲ ናይዚ ፈተነ ኣብ ውሽጢ 8 ደቃይቕ ዝተፈላለዩ ሰለስተ ነገራት ንኽፍጽም ከምዝኣዘዝዎም ገሊጾም። እቶም ተግባራት ከኣ ሒሳብ ምግልባጥ፡ ኣድራሻ ሓደ ሆቴል ምፍላጥን ሓደ ኣብ ወፈራ ዝጠፍአ መፍትሕ ኣሊሽካ ምርካብን’ዮም። እዞም ተግባራት ክፍጽሙ ኣብ ዝጀመርሉ ግዜ ድማ ቀልቦም ንምስራቕ ኣብ መንጐ መንጐ ተሌፎን ክድወለሎም ይግበር ነይሩ። ኣብዚ ከይዲ ምርምር ደቂ ኣንስትዮ እቶም ተግባራት ኣብቲ ዝተወሃበን ግዜ ሰሪሐን ወዲአን። እቶም ተባዕትዮ ግን ነቲ ዝጠፍአ ቦታ ካርታ ናይ ምንባብ ዓቕሞም ተጠቒሞም ነቲ ኣብ ወፈራ ዝጠፍአ መፍትሕ ኣብ ምርካብ ግን ኣይተዓወቱን። ካብኡ ብተወሳኺ ድማ ስምዒት ደቂ ሰባት ኣብ ምርዳእ’ውን እተን ደቂ ኣንስትዮ ካብቶም ደቂ ተባዕትዮ ዝሓሻ ኰይነን ተረኺበን። ኣብ መንጐ ሓንጐል ክልተኦም ጾታ ዘሎ ፍልልይ ብሰንኪ ጾታኦም’ዩ ኢልና ቅድሚ ናብ መደምደምታ ምብጻሕና ብመርትዖታት ክነደግፎ ኣለና። ነዚ ንምርዳእ ሓንጐል ክልቲኡ ጾታ ዝተዋቐረሉ ፈሊጥካ ምትንታን ኣገዳሲ’ዩ። እቲ ፍልልይ ተፈጥሮኣዊ እንተዀይኑ ኣብ መዋቕር ሓንጐልና ፍልልይ ክህሉ ኣለዎ። ክብደት ሓንጐል ወዲ ተባዕታይ ካብ ናይ ጓለስተይቲ ብማእከላይ ገምጋም ብ10 ሚኢታዊት ይበልጽ። እንተኾነ ክብደት ሓንጐል ብጾታ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ተመሳሳሊ ጾታ ኰይኑ’ውን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክፈላለ ይኽእል’ዩ። እዚ ማለት ክብደት ሓንጐል ናይ ሓንቲ ጓል ካብ ናይ ወዲ ዝዛይደሉ ግዜ ኣሎ ማለት’ዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ደቂ ተባዕትዮ ብኣካላዊ ሚዛን ካብ ደቂ ኣንስትዮ ስለዝበልጹ ልዑል ክብደት ሓንጎል እንተለዎም ዘገርም ኣይኮነን። እንተኾነ፡ ተመራመርቲ እዚ ፍልልይ ክብደት ሓንጐል ምስ ክእለትን መንፍዓትን ዘራኽብ ነገር ከምዘይብሉ’ዮም ዝሰማምዑ። ኣብ መንጐ መዋቕር ሓንጐል ተባዕታይን ኣነስታይን ጾታ ፍልልይ ከምዘሎ ዝገልጽ ኣብ ዩኒቨርስቲ ደብሊን ተመራማሪ ኒውሮ ባይሎጂ ፕሮፌሰር ኬቨን ሚሼል፡ እቲ ፍልልይ ባህርያት ምርባሕ ጾታ ዝቈጻጸር ከምዝዀነ ገሊጹ። ኣብ ውሽጢ ሓንጐልና ዝርከብ ሃይፖተላመስ ኣብ ተባዕታይን ኣነስታይን ጾታ ዝተፈላለየ’ዩ። እዚ ክፋል ሓንጐልና ኣጉሊሑ ብዘርኢ መነጽር ክርአ እንከሎ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ደቂ ኣነስትዮ ናይ 6 ሚእታዊት ብልጫ ኣለዎ። እንተዀነ እዚ ፍልልይ ምስ ባህርያት ደቂ ተባዕትዮ ይዅን ደቀንስትዮ ብቐጥታ ዘይክራኸብ ይኽእል’ዩ ክብል ፕሮፌሰር ኬቨን ይሕብር። ንኣብነት ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘርእይዎ መንፈስ ልዕልነት፡ ኣቦሓጎታትና ዘርኦም ንምትካእ ክወዳደሩ ግድን ስለዝነበረ ክኸውን ይኽእል’ዩ። እቲ ቀደም ቀደም ተባዕትዮ ደቂ ኣንስትዮ ንኽሕጸዩ ንኻልኦት ደቂ ተባዕትዮ በሊጾም ክርከቡ ግድን ነይሩ’ዩ። ኣብዚ ዘለናሉ መዋእል’ውን እንተዀነ እቲ ውድድር ብዝተፈላለዩ መገድታት ክግለጽ ንርእዮ ንኸውን ኢና። በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ኣብ መዋቕር ሓንጐልና ዝርከብ ሂፖካምፐስ ዝተበሃለ ክፋል ናይታ ጓል ኣንስተይቲ ካብቲ ተባዕታይ ዝበለጸ ኰይኑ ኢና እንረኽቦ። እዚ ክፋል ሓንጐልና ፍጻመታት ናይ ምዝካር ዓቕሚ ዝተዛመደ ኰይኑ ኣብ መንጎ ተባዕታይን ኣንስታይን ጾታ ፍልልይ የብሉን። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፐንሲልቫንያ ኣሜሪካ ዝሰርሑ ተመራመርቲ፡ ካብ 8-22 ዝዕድመኦም 900 ኣወዳትን ኣዋልድን ሓንጐል፡ ብማይክሮስኮፕ ብምርኣይ ነቲ ውጽኢት ብምስሊ ክዕዘብዎ ፈተነ ገይሮም። ኣብዚ መጽናዕቲ ዝተሳተፈት ዶ\/ር ረጂና ቨርማን፡ “በቲ ዝረኸብናዮ ውጽኢት ተገሪምና ኢና፡” ትብል። የማናይን ጸጋማይን ክፋላት ሓንጐል ዝተፈላለየ ዕማማት ዘለዎም ኰይኖም፡ ኣብ መንጐ ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ከ ፍልልያት ኣለዎም ዶ? ንምፍላጥ እዩ እቲ ፈተነ ተኻይዱ። ካልእ ኣባል እዚ ጕጅለ ተመራመርቲ ዝዀነ ፕሮፌሰር ሩበን ጉር፡ ጸጋማይ ክፍሊ ሓንጐልና ቋንቋ ዝመልኽን ሓበሬታታት ዘሰላስልን ከም ዝዀነ ይሕብር። የማናይ ክፋል ሓንጐልና ድማ፡ ምስ ስምዒታትና ዝተኣሳሰሩ ነገራት ከም ዘሰላስል የረድእ። በዚ ኵነታት’ዚ፡ ኣብ ኣእምሮ ደቀንስትዮ ዝርከቡ መትንታት ሓንጐል፡ ካብ የማን ናብ ጸጋም ዝተኣሳሰሩ እዮም። በዚ ድማ ደቀንስትዮ፡ ካብ ዘረባ፡ ስምዒትን ትንተናን ዝመጽኡ ሓበሬታታት ካብ ደቂተባዕትዮ ብዝበለጸ ከም ዝቕበላ የርኢ። ካብዚ ድማ፡ እቶም ተመራመርቲ፡ ደቀንስትዮ ክልቲኡ ክፋል ሓንጐለን ከም ዝጥቀማ መረዳእታ ከም ዝረኸቡ ይገልጹ። ኣብ ሓንጐል ደቂ ተባዕትዮ ብየማን ይዅን ብጸጋም ዘለው መትንታት፡ ካብ ድሕሪት ንቕድሚት ዝተኣሳሰሩ እዮም። በዚ መሰረት፡ እቲ ዳሕረዋይ ክፋል ሓንጐል፡ ዝረኣዮ ወይ ዝተቐበሎ ሓበሬታ ኣሰላሲሉን ተንቲኑን ናብ ቅድሚት ከም ዝልእኽ ፕሮፌሰር ሩበን ይገልጽ። እዚ ናይ ቅድሚት ክፋል ሓንጐል ድማ፡ ነቲ ዝተቐበሎ ሓበሬታ ተጠቒሙ ውሳነ ክወስድ ይኽእል። ንኣብነት ሓደ ንሃድን በረኻ ዝወፈረ ወዲ፡ ሓደ ኣራዊት ርእይ ኣቢሉ ዝወስዱ ውሳነ በዚ መስርሕ’ዚ ዝሓልፍ ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል። እዚ ኣብ መንጐ ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ዝተራእየ ፍልልይ፡ ኣብ ህጻናት ኣወዳትን ኣዋልድን ግን ኣይተራእየን። እዚ ከምዚ ዓይነት ፍልልይ ዝርአ፡ ህጻናት 13 ዓመት ኣብ ዝበጽሑሉ ዕድመ ምዃኑ ውጽኢት’ቲ ምርምር የመልክት። ነዚ ምርኩስ ብምግባር ድማ እቶም ተመራመርቲ፡ እዚ ፍልልይ’ዚ፡ ካብ ትምህርቲ ወይ ኣከባብያዊ ጸቕጢ ዝመበገሲኡ ጠንቂ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘለዎም ጥርጣረ ኣንቢሮም ኣለው። ብኻልእ መዳይ፡ ኣብ ብሪጣንያ ዩኒቨርሲቲ ኣስተን ፕሮፌሰር ጊና ሪፖን፡ ኣብ ሓንጐል ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ዝርአ ፍልልይ፡ ካብ ኣተዓባብያን ባህላዊ ፍልልያትን ዝብገስ እምበር፡ ሓንጐል ኣወዳት ኣዋልድ ዝበሃል ነገር ከም ዘየለ ትገልጽ። እታ ፕሮፌሰር ከም እትብሎ፡ ሓንጐልና ካብ ከባቢኡ ብዝወስዶ ነገራት እዩ ዝዓብን ዝስልጥንን። ስለዚ፡ ካብቲ ኣብ መንጐ ሓንጐል ኣወዳትን ኣዋልድን ዘሎ ፍልልይ፡ ጾታ ከይፈለኻ ኣብ መንጐ ውልቀሰባት ዘሎ ፍልልይ ሓንጐል ዝያዳ ጐሊሑ ይርአ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ተመራመርቲ፡ መሳርሒታት ‘ማግኔቲክ ሪዞናንስ ኢሜጅ (ኤምአርአይ) ተጠቒሞም ሓንጐል ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ክርእዩ ፈቲኖም እዮም። በቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ’ውን ኣብ መንጐ’ዚ ክልቲኡ ጾታ ዝተራእየ ፍልልይ ሓንጐል፡ ኣዝዩ ንእሽቶ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ። ሓንጐል ደቂ ተባዕትዮ ብኽብደቱ ካብቲ ናይ ጓለንስተይቲ ዝዓቢ ክኸውን እንከሎ፡ ግዳማዊ ክፋል ሓንጐል ደቀንስትዮ ድማ ካብ ናይ ደቂተባዕትዮ ርጕድ ዝበለ ኰይኑ ተረኺቡ። ብሓፈሻ፡ እቶም ኣብ ኣቃውማ ሓንጐል ኣወዳትን ኣዋልድን ፍልልይ ዝረኸቡ’ውን፡ ብመሰረቱ ናይ ጓል ናይ ወዲ ዝበሃል ነገር ከም ዘየለ እዮም ዝገልጹ። ሓንጐል፡ ምስ ባህርን ክእለትን ደቂተባዕትዮ ዘለዎ ቀጥታዊ ተዛምዶ ኣብ ዝምልከት ነጥቢ ግን ኣብ መደምደምታ ክብጻሕ ኣይተኻእለን።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cglggnz5kp3o"} {"headline":"ድሕሪ 40 ዓመታት ብሳላ ፖድካስት ዝተቓልዐ ገበን ቅትለት","content":"ኣብ ሲድኒ ትነብር ዝነበረት ሊነት ዳውሰን፡ ቅድሚ 40 ዓመት፡ ኣብ ጥሪ 1982 ካብ ገዛኣ ክትጠፍእ እንከላ ጓል 33 ዓመትን ኣደ ክልተ ኣዋልድ እያ ነይራ። ፖሊስ ግን ኣሰራ ክረክብ ኣይከኣለን። በዓል ቤታ ክሪስ ዳውሰን፡ ሊነት ኣብ ጥሪ 1982 ተሌፎን ደዊላ፡ ትሓስበሉ ናይ ጽምዋ እዋን ከምዘድልያ ከምዝገለጸትሉ ይዛረብ። ብድሕሪኡ'ውን ደጋጊማ ከምዝደወለትሉ ይሕብር። ኣብ ቤት ፍርዲ ዝተማጐቱሉ ጕጅለ ጠበቓታት፡ ሊነት ዳውሰን ድሕሪ ምጥፍኣ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝረኣይዋ ብምግላጽ፡ ካብ ጥሪ 1982 ንደሓር ብህይወት ዝነበረትሉ ተኽእሎ ክህሉ ከምዝኽእል ዘርኢ መርትዖ እዩ ኢሎም። ሊነት ዳውሰን ካብ እትጠፍእ ኣትሒዙ ፈተውታን ቤተሰባን ደሃያ ኣይረኸቡን። ክልተ ዝተፈላለዩ መርመራታት ግን ብ\"ዝፍለጥ ሰብ\" ከምዝተቐትለት ደምዲሞም። ድሕሪ 40 ዓመታት፡ ኣብ መወዳእታ ሊነት ዳውሰን ዝጠፍኣትሉ ምስጢር ተፈቲሑ። ጋዜጠኛ ሄድሊ ቶማስ ብዛዕባ ሊነት ዳውሰን ቅድሚ 21 ዓመት'ዩ ክሓትት ጀሚሩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ብዛዕባ እታ ኣብ 1982 ብዘይ ኣሰር ዝጠፍአት ኣደ ዝሰምዑ ውሑዳት ነይሮም። ቶማስ ጉዳያ ምክትታል ምስ ጀመረ ግን፡ ብዛዕባ ዅሉ ክፈልጥ ጀሚሩ። እቲ ጉዳይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ በዓል ቤታ ክሪስ ዳውሰን ብቕትለታ ምስ ተፈርደ፡ ጕዳይ ሊነት መኸተምታ ረኺቡ። ጕዳያ ምክትታል ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ቶማስ፡ ዕሽነትን \"ዘይፍትሓውን\" ብዝመስል ዛንታ ሊነት ዳውሰን ከምዝተገረመ ይገልጽ። \"ንኣዋልድ ደቃ ውፍይቲ ዝነበረት መንእሰይ ኣደ፡ ብዛዕባ ደቃ ከምዘይትግደስ፡ በቃ ራሕሪሓተን ከምዝጠፍአት ሰበይቲ ተገይራ ክትርአ እንከላ፡ በዓል ቤታ ግን ምስ ሓንቲ ፍርቂ ዕድመ በዓልቲ ቤቱ ዝዀነት ተመሃሪት ዘይተለምደ ዝምድና ጀማሚሩ ነይሩ\" ይብል። ቶማስ ዘልዕሎም ሕቶታት እናዓሞቝ ክኸዱ እንከለው ግን ምድንጋሩ ብኡ መጠን እናዓበ ይኸይዱ። ሊነት ዳውሰን ውሑዳት ክዳውንቲ ጥራይ ሒዛ እያ ከይዳ። ሳንጣ፡ መመላኽዒ፡ ዋላ’ውን መዝገብ ኣድራሻታት ከይሓዘት እያ ከይዳ። ስራሕ’ውን ኣይነበራን፣ መኪና የብላን፣ ምናልባት ገንዘብ እንተሒዛ'ውን ውሑድ'ዩ ነይሩ ዝኸውን። ብድሕሪኡ ብዘይካ ምስቲ ዝጠለማን ዘዋረዳ በዓል ቤታ ምስ ካልእ ሰብ ከምዘይተራኸበት ይንገር። \"እዚ ፍጹም መስሓቕ'ዩ\" ይብል ቶማስ። “ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰባት እዚ ክርድኦም እዩ።” ንሱ ከምዝበሎ፡ ሊነት ምስ ጠፍአት፡ ድሕሪ 40 ዓመታት፡ ሓደ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኒው ሳውዝ ዌልስ ተረዲእዎ። ሬሳኣ ፈጺሙ ኣይተረኽበን። እቲ ምሉእ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ኵነታዊ መርትዖ ዝተመርኮሰ እዩ። ቶማስ፡ ዋላ'ኳ ንመጀመርያ ግዜ ብዛዕባ ጉዳይ ሚስስ ዳውሰን ኣብ 2001 እንተፈለጠ፡ ንልዕሊ 15 ዓመት ብዕቱብ ክሓትት ኣይጀመረን ነይሩ። ኣብቲ እዋን ክልተ መርመራታት ቅትለት፡ \"ሓደ ዝፍለጥ ሰብ\" ብቕትለታ ክኽሰስ ሓሳብ ኣቕሪቦም ነይሮም። ኣኽበርቲ ሕጊ ግን እዅል መርትዖ ከምዘየለ ብምግላጽ ነጺጐምዎ። ቶማስ፡ ኣዕሩኽ ስድራቤትን ጐረባብትን ሊነት ዳውሰን፡ ከምኡ'ውን ምስታ ብሕጋዊ ምኽንያት ጄሲ ብዝብል ትጽዋዕ ኣፍቃሪቱን ደሓር ካልኣይቲ በዓልቲ ቤት ዳውሰን ዝዀነትን ከዘራርብ ጀሚሩ። ብተወሳኺ ምስ ኮሚሽነር ፖሊስ እታ ግዝኣትን ምስ ኣብቲ መርመራ ዝተሳተፉ ላዕለዎት ፖሊስ፡ ከምኡ'ውን ምስ ሓደ ካብቶም መርመራታት ዝመርሐ መርማሪ ሬሳ ዘይተለምደ ቃለ መጠይቕ ኣካይዱ። ‘ዘ ኣውስትራልያን - ዘ ቲቸርስፔት’ ንዝበሃል መደብ ዝሰርሖም ተኸታተልቲ ፖድካስት (ኣብ ኢንተርነት ዝቐርብ ዲጂታዊ ፋይል ድምጺ) ብዛዕባ ዳውሰን ዝነበሮ ርክብ ፍቕሪ ዝትንክፉን እዮም። እቲ ፖድካስት፡ ዳውሰን፡ ኣብ ልዕሊ በዓልቲ ቤቱ ኣካላዊ ዓመጽ ከምዝፈጸመ ዝገልጽን ንበዓልቲ ቤቱ ዝቐትል ሰብ ክቘጽር ሓሲቡ ከምዝነበረ ዝገልጹ ክስታትን ዝትንክፍ እዩ። ከምኡ’ውን ዳውሰን ንፖሊስ ኣብ ዝሃቦ ቓል ዝነበረ ዘይምስምማዕ ዘመልክት፡ ከምቀታሊ ዝገልጽን፡ ሬሳ በዓልቲ ቤቱ ብኸመይ ኣልይዎ ክኸውን ከምዝኽእልን ዝገልጽ ግምታት ዘጠቓልል እዩ። እቲ ፖድካስት ኣብ መፋርቕ 2018 ምስ ተፈነወ ዓቢይ ዓወት ረኺቡ። እቲ ተኸታታሊ ፖድካስት፡ ዝለዓለ ክብሪ ጋዜጠኝነት ኣውስትራልያ ዝተሸለመ፡ ልዕሊ 60 ሚልዮን ግዜ ሰባት ካብ ኢንተርነት ዘውረድዎን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርዝር በሉጻት ሙዚቃታት ዝተሰርዐን እዩ። እቲ ፖድካስት ምስ ተፈነወ ድማ ዳውሰን ኣብ መወዳእታ ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ተኸሲሱ። ፖሊስ ነቲ ጉዳይ ንዓመታት ክከታተሎ ጸኒሑ፣ ፍረ ግን ኣይረኸበን። ብዙሓት ሰባት ድማ እቲ ፖድካስት ኣብ መወዳእታ ንሊነት ዳውሰን ገለ ተስፋ ፍትሒ ከም ዘረጋግጸላ ገሚቶም። ድሕሪ እቲ ብሰሉስ ዝተዋህበ ውሳነ፡ ሓዋ ግሬግ ሲምስ ንሚስተር ቶማስ ስም ሓፍቱ ንምጽራይ ስለዝሓገዘ ኣመስጊኑ። \"ስድራኣ ትፈቱ ነይራ፡ ብፍቓዳ ገዲፋቶም ኣይትፈልጥን። የግዳስ እምነታ በቲ ትፈትዎ ሰብኣይ ተጠሊሙ'ዩ፡\" ይብል። እቲ ፖድካስት ግን ነቲ ኣብ ልዕሊ ዳውሰን ዝነበረ ገበናዊ መስርሕ እውን ብስግንጢራዊ መገዲ ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ ነይሩ እዩ። ጠበቓታት ዳውሰን ክሳብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እቲ ኽሲ ንኽንጸግ ተማጒቶም። እቲ ፖድካስት ፍትሓዊ ፍርዲ ንኸይረክብ ዝገብር ከምዝዀነ ገሊጾም። ኣብያተ ፍርዲ፡ እቲ ፖድካስት ብሓቂ ብሓያሎ ምኽንያታት ጸገም ከምዝህልዎ ተረዲኦም ይብል ፕሮፌሰር ቤት ትምህርቲ ሕጊ ሜልቦርን ጀረሚጋንስ። ቀዳማይ፡ እቲ ፖድካስት ኣብ ፍርዲ ቅትለት ከም መርትዖ ክቐርቡ ዘይፍቀድ ትሕዝቶታትን ግምታትን ዝፈነወ እዩ። እቲ ኣብ ዙርያ እቲ ፖድካስት ዝነበረ ዕላውነት፡ ኣብቶም ክመጹ ዝኽእሉ መጋባእያታት ምዝባዕ ክፈጥርን መሰኻኽር ክጋገዩን ክገብር ይኽእል እዩ፡ ዝብል ስክፍታ ነይሩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ መንጐ ቶማስን ፖሊስን ዝነበረ ምሕዝነታዊ ምትሕብባር ኣሎ። እዚ ድማ እቲ ጋዜጠኛ ኣብ ዓቃቢ ሕጊ ጽልዋ ኣሕዲሩ ከይከውን ዝብል ስክፍታታት ኣስዒቡ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ዳኛ ሃሪሰን ብሰሉስ ቶማስ ኣብቲ ዛንታ ዝነበሮ ኣቀራርባ፡ \"ሚዛናዊ ዘይኮነ\" ኢልዎ ነይሩ። \"ደያኑ ሄድሊ፡ ቶማስ ሪፖርተር ጥራይ ኣይኮነን ዝብል ኣረኣእያ ሒዞም... ንዅሉ ሰብ እንተላይ ኣኽበርቲ ሕጊ ብዛዕባ ገበን ክሪስ ዳውሰን ከእምን ኣዝዩ ድሌት ኣለዎ\" ይብል ፕሮፌሰር ጋንስ። \"ሓያሎ ሰባት በቃ ንዕድል ንጽህና ከምዘይግደስ ገሊጾም፣ ስነ-ምግባሩን ካልኦት ነገራትን ኣብ ሕቶ ኣእትዮምዎ።\" ቶማስ ንገለ ካብቲ ነቐፌታ ዘይፍትሓዊ ክብል ገሊጽዎ። እንተዀነ፡ ብመሰረት ምኽሪ ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ቅድሚ እቲ ፍርዲ ነቲ ፖድካስት ካብ ኢንተርነት ኣልይዎ። እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ኣብ ዙርያ እቲ ጉዳይ ዝነበረ ግምታት ንኽሃስስ ብምሕሳብ ነቲ ፍርዲ ኣደናጕይዎ። መስርሕ ፍርዲ ዳውሰን፡ እቶም መጋባእያታት ኣብ ዘይሃለውሉ ኣብ ቅድሚ ሓደ ዳኛ ጥራይ ክቐርብ ተፈቒዱሉ። እዞም ክልተ ውጽኢታት ምቹኣት ከምዘይነበሩ ፕሮፌሰር ጋንስ ይገልጽ። ብሰንኪ'ቲ ምድንጓይ ፍርዲ - ምንዋሕ ግዜ፡ መሰኻኽር ክዀኑ ዝኽእሉ ሰባት ሞይቶም እዮም። ከምኡ’ውን ኣብ ቅድሚ ሓደ ዳኛ ጥራይ ዝቐርብ ፍርዲ ገበነኛ ተባሂሉ ንኽፍረዶ ዘሎ ተኽእሎ ትሑት እዩ። ዳያኑ፡ ዘይከም መጋባእያታት ምኽንያቶም ከረድኡን ኣብቲ ርትዓዊ ጥርጣረ ዝፈጥር ዝያዳ ጽኑዕ ትርጕም ክህልዎምን ተኽእሎታት አሎ። ኣብ መወዳእታ፡ ዳኛ ሃሪሰን ንመብዛሕትኡ እቲ ፖድካስት ዘቃልዖ ሓድሽ ሓበሬታ ዕሽሽ ኢሉዎ። ኣብቲ \"ብሉጽ ተርእዮታት\"፡ ሓቀኛታት ተኸታተልቲ ዛንታታት ገበን፡ ኣጸጋሚ ገበናት ፈቲሖም፣ ብጌጋ ዝተኣስሩ ሰባት ነጻ ኣውጺኦም፣ ብመርመርትን ኣኽበርቲ ሕግን ንዝፍጸም ግጕይ ተግባር ኣቃሊዖም እዮም ይብል ፕሮፌሰር ጋንስ። እዚ ብሰሉስ ክዕወት ምርኣይ \"ንምእማኑ ዘጸግም እፎይታ\" እዩ ነይሩ ይብል። \"ኣብ መወዳእታ ክሪስ ዳውሰን ገበነኛ ምዃኑ ምስ ተኣወጀ፡ ሓያል ህሞት እዩ ነይሩ።\" \"ብውሑዱ ን40 ዓመታት ውዲትን ምትላልን ክገብርን ክሕሱን ጸኒሑ'ዩ። ስለዚ ብግቡእ ክቕጻዕ ተስፋ እገብር።\"","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cqvzl4q6yp2o"} {"headline":"ካብ መጥባሕቲ ክሳዕ ዳህሳስ ህዋ ዝሳተፉ ዘለዉ ሮቦታት","content":"ኣባላት ባይቶ ብሪጣንያ ተኣኪቦም ኣለዉ። ኣስማቶም ኣብ ቅድሚ መንበሮም ተለጢፉ ኣሎ። ዝተዓሸገ ማይ’ውን ተቐሪቡሎም እዩ። ኣብ መንጎኦም ግና ሓንቲ 'ጋሻ' ኣላ። ኣብ ቅድሚ መንበራ 'ኤይ ዳ' ዝብል ተጻሒፉ ኣሎ። ኣብቲ ክፍሊ ዝተዓሸገ ማይ ዘይቀረበላ ንሳ ጥራሕ እያ። ጸጉራ ሓጺር ኮይኑ፡ ምሉእ ጂንስ ምስ ቲሸርት እያ ተኸዲና። ካብቶም ኣባላት ባይቶ ንዝቐርበላ ሕቶታት መልሲ ክትህብ እያ ኣብኡ ተረኺባ። ኣባል ባይቶ: ሰላም ኤይ ዳ፡ ከመይ ኢኺ ስእሊ ትስእሊ? ኤይ ዳ፡ ካሜራ ብዝተገጠመሉ ዓይነይ እየ ዝስእል [ርእየ]፣ ብ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ (AI) ኣልጎሪዝማተይ [ተመሪሐ] ብሮቦታዊ ቅልጽመይ እየ ዝስእል። ዝማርኽ ስእሊ እየ ዝስእል። ገለልተኛ መርበብ ተጠቂመ እየ ግጥሚ ዝጽሕፍ። ነዚ ድማ ነዋሕቲ ጽሑፋት ምንባብ የድሊ። ጽሑፋት ኣንቢበ ሓባራዊ መግለጺታትን ቅርጺን እቲ ግጥሚን ምስ ረኸብኩ፡ ሓዳስ ግጥሚ እፈጥር። ካብ ደቂ ሰባት ዝፍለ፡ ነፍሲ ስለዘይብለይ እየ። ተመኩሮ ሰባት’ውን የብለይን። ብዛዕባ ስእሊን ግጥምን ክዛረብ እኳ እንተኸኣልኩ፡ ናይ ኮምፒተር ፕሮግራም እየ። ኣነ ብኣልጎሪዝም እየ ዝድረኽ። ዋላ ነፍሲ እንተዘይብለይ ስነ ጥበብ ክፈጥር እኽእል እየ። ካልእ ኣባል ንኤይ ዳ ሕቶ ከቕርብ ክብል፡ ኤይ ዳ ሃንደበት ምንቅስቓስ ኣቋሪጻ። እቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ሰራሒ ኤይ ዳ፡ እታ ሰብ መስል ሮቦት 'ቁሩብ ዕረፍቲ ወሲዳ ዳግማይ ከምትለዓል' ገሊጹ ነቲ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ዝካየድ ዝነበረ ሕቶን መልስን ኣቋሪጽዎ። ________ ኤይ ዳ ኣብ ዓለም ናይ መጀመርታ ክውንነታዊ ሰብ መስል ሮቦት እያ። ኣብ 2019 ምስ ዓለም ዝተላለየት ኤይ ዳ ሰኣሊት፡ ገጣሚትን፡ ቀራጺትን እያ። ኣባላት ባይቶ ብሪጣንያ ብዛዕባኣ ክሓትቱ ዝደለይሉ ምኽንያት ህብብቲ እናኾነት ስለዝመጸት እዩ። ካልእ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንዓለም ብህቦብላ ዝወሰዳ ምህዞ ሮቦቲክስ ድማ መግቢ ዘብስል ሮቦት እዩ። እቲ ሮቦት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ መግቢ ቻይና ዝተለመዱ 3,000 ዓይነት ምግቢ ይሰርሕ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ደቓይቕ ስእሊ ዝውድእ ሮቦት እውን ፍሉጥ እዩ። ክዛረብ፡ ከንብብ፡ ክስዕስዕን ኩንግ ፉ ክሰርሕን ዝኽእል ሮቦት እውን ይጥቀስ። ብፍላይ ድሕሪ ስንባደ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ንኣረጋውያን ስራሕ ዝሕግዝ ሮቦት ተጠላቢ ኮይኑ እዩ። እቲ መርመራ ቫይረስ ዝገብርን ነቲ ክታበት ዝህብን እዚ ሮቦት እዩ። እቲ ሮቦት ኣብ ስራሕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣረጋውያን ጽምዋ ከይስምዖም እውን የዋግዖም እዩ። መድሓኒት ኣብ እዋኑ ክወስዱ የዘኻኽሮም። ክርዳድ ካብ ዘርኢ ፈሊዩ ጸረ ባልዕ ዝነጽግን ኣእካል መስኖ ዘስትይን ሮቦት እውን ኣሎ። ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ኣቑሑ ንምግዓዝ፡ ቪድዮ ንምቕዳሕ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዓውደ ውግእ ይውዕሉ ኣለው። ሮቦቲክስ ናብ ሕክምና መጥባሕቲ እውን ኣትዩ እዩ። እዞም ሰርጂካል ሮቦትስ ተባሂሎም ዝጽውዑ ሮቦታት፡ ሓደ ሰብ እንታይ ከምዝሓመመ ካብ ምምርማር ሓሊፎም መጥባሕቲ ንኽገብረሉ ብምሕጋዝ ይፍለጡ። ሮቦታት ሓካይም ዘይፈልጥዎ ሕማማት ኣብ ምፍላጥ ተፈታዊ እናኾኑ ይመጹ ኣለዉ። እዚ ድማ ሕክምናዊ ጌጋታት ከይፍጠሩ ዝቕንስ እዩ። ካብ መጉዳእቲ ንምሕዋይ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ኣካላት እውን ይሕግዙ እዮም። ቶዮታ ብሰንኪ መጉዳእቲ ወይ ሕማም፡ ምንቅስቓስ ንዘይክእሉ ሰባት ብእግሮም ክኸዱ ወይ ካልእ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክገብሩ ዘለማምድ ሮቦት ኣተኣታትዩ’ሎ። ቲዩጂ (TUG) ዝተባህለ ሮቦት ኣብ ውሽጢ ሆስፒታል እናዞረ መድሃኒትን ካልኦት ኣገደስቲ ናውቲ ሕክምናን የብጽሕ። ሮቦቲክስ ኣብ ዳህሳስ ህዋ እውን ኣትዩ እዩ። ናይ ናሳ ማርስ ሮቨር እንተወሲድና ሽዱሽተ ተሽከርከርቲ ኣእጋር ኣለዎ። እዚ 360 ዲግሪ ዘይሩ ዝርእይ ሮቦት ኣብ ዙርያ ማርስ እናዞረ ናብቶም ጠፈርተኛታት ሓበሬታ ይልእኽ። ብዛዕባ እቲ ንዓለም ዝቕይር ዘሎ ሮቦቲክስ መብርሂ ክህበና ነቲ ክኢላ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዶክተር ዳኛቸው ብሩ ሓቲትናዮ። ንሱ፡ ኣብ ኳንቲፊ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ዓለም-ለኸ መራሒ መፅናዕትታት እዩ። ዶክተር ዳኛቸው፡ ሮቦቲክስ ብዙሕ ዝተፈላለየ ትርጉማት ከምዘለዎ ይገልጽ። እቲ ብተደጋጋሚ ዝወሃብ ትርጉም ግን ሮቦቲክስ ማሽንን ተንቀሳቓስን እዩ ዝብል እዩ። ኣብ ፋብሪካ ዝስራሕ፡ ገዛ ዘጽርይ፡ ናብ ኣካላትና ኣትዩ ውሽጣዊ ኣካላት ዝስእል፡ ወይ ናብ ህዋ ተላኢኹ ኣብ ሳተላይት ዝሰርሕ ክኸውን ይኽእል። \". . .ብቐንዱ ሮቦቲክስ ማለት ሃዋሲታት (sensors) ተጠቒምካ ከባቢ ምርዳእ ማለት እዩ። ብካሜራ ዝሕገዝ (Visual Sensor)፡  ብድምጺ ዝሕገዝ (Sound Sensor) ከምኡ’ውን ብዘይርአ ጩራ (Infrared Sensor) ተጠቒምካ ብመሰረት ኣልጎሪዝም ከባቢ ክትግምግም ምኽኣል ማለት እዩ።” ሮቦቲክስ ዝጥቀመሉ ኣልጎሪዝም ሰብ-ሰርሖ ብልሒ (AI) እዩ። ካብዚኦም ሓደ ሪንፎርስመንት ለርኒንግ ዝበሃል ምዃኑ እቲ ክኢላ ይገልጽ። እዚ መስርሕ እዚ ሮቦታት ዝመሃሩሉ ኣገባብ እዩ። ሮቦት ልክዕ ከምቲ ወዲ ሰብ ዝገብሮ ሓደ ተግባር ክፍጽም ይግበር። እንተተዓዊቱ ድማ ኣዎንታዊ ግብረመልሲ ይወሃቦ። ብጌጋ እንተተረዲእዎ ኣሉታዊ ምላሽ ይረክብ። እዚ፡ ሮቦታት ቅኑዕን ጌጋን ተግባራት ክፈልዩ የኽእሎም። ክልተ ኣብነታት ንውሰድ። ማሽን ብምስልጣን፡ ኣብ ቅድሚት ምስ ዘላ መኪና ከይተጋጨዋ ክሓልፋ ዝኽእላ መራሒ ዘይብለን መካይን ይስረሓ። ብዝተገጠመሉ ካሜራ ጽሬት ፍርያት ሓደ ፋብሪካ ዝምርምር ሮቦት’ውን ምስራሕ ይከኣል እዩ። እቲ ሮቦት ነቲ ዝተበላሸወ ኣቕሓ ኣልዒሉ ናብ ካልእ ቦታ ይድርብዮ። ዶክተር ዳኛቸው ዝህቦ ኣብነት ኣብ ገዝኡ ዘሎ ናይ ጽሬት መሳርሒ እዩ። \". . .መጀመርታ ምስ ተወለዐ፡ እናዞረ ኣቃውማ ገዛን ኣቀማምጣ ኣቑሑትን የጽንዕ። እቲ ጣውላ ኣበይ ኣሎ? እቲ መንደቕ ኣበይ ኣሎ? ምስፈለየ ካርታ ሰሪሑ ንዕኡ ተጠቒሙ ምጽራይ ይጅምር። ምጽራይ ምስ ጀመረ፡ ኣብ ቅድሚኡ መንበር እንተጋጢምዎ፡ ነቲ መንበር ዘይሩ ይኸይድ። ካሜራ ስለዘለዎ ብዙሕ ርስሓት ኣብ ዝህልወሉ እዋን ሞተር ይውልዕ” ክብል ይገልጽ። ሮቦቲክስ፡ ቴክኖሎጂ ምስ ምህንድስና ብምውህሃድ እዩ ተፈጢሩ። እቲ ሓሳብ፡ ብደቂ ሰባት ዝስርሑ ነገራት እቶም ሮቦትታት ክሰርሕዎ ምግባር እዩ። ሮቦታት ፕሮግራም ዝተገብረሎም ተግባራት ይፍጽሙ። ምስ ምምዕባል ሰብ ሰርሖ ብልሒ፡ ሮቦታት ክፍጽምዎ ዝኽእሉ ዕማማት ዝያዳ ዝተራቐቑ ይኾኑ ኣለዉ። ኣብ መጻኢ ዝወሃቦም ሓላፍነት ክዓቢእዩ፣ ውጽኢታውነቶም ድማ ክመሓየሽ እዩ። ሰብ መሰል ሮቦታት ዝያዳ ተፈተውቲ ይኾኑ ኣለዉ። ብቐንዱ ሮቦት ሶፍያ ትጥቀስ። ሮቦታት ኣካላዊ ስራሕ ጥራይ ዘይኰነስ ውሳነ ናይ ምውሳን ክእለት’ውን ከምዘለዎም ክኢላታት ይገልጹ። ቅድመ-ፕሮግራም ዝተገብረሎም ሮቦታት (Pre-Programmed Robots) ኣብ ፍሉይ ቦታ ፍሉይ ስራሕ ጥራይ ንምስራሕ ይውዕሉ። መኪና ኣብ ትገጣጠመሉ እዋን ብሎን ምቕባል ክኸውን ይኽእል። ገዛእ ርእሶም ዝኸኣሉ (Autonomous Robots) ብዘይ ትእዛዝ ናይ ሰብ ዝሰርሑ ሮቦታት እዮም። ሃዋሲታት (sensors) ተጠቒሞምን ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ምንቅስቓስ ተረዲኦምን ተግባራቶም ይፍጽሙ። ካብዚኦም እቲ ቐንዲ ሩምባ ዝተባህለ ናይ ጽሬት ሮቦት ከምዝኾነ ዶክተር ዳኛቸው ይጠቅስ። ብሰብ ዝእዘዙ ሮቦታት (Teleoperated Robots) ኣብ ኣጸጋሚ ተፈጥሮኣዊ ሃዋህው ወይ ክሊማ ይሰርሑ። ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ጽቡቕ ኣብነት እያ። ልክዕ ከምቲ ደቂ ሰባት ካብ ሓንጎሎም ዝመጽእ መልእኽቲ ዝፍጽሙ፡ ሮቦታት እውን ብመሰረት ኣገባብ መስርሖም (ኣልጎሪዝሞም) ይሰርሑ። ምስ ከባቢኦም ይረዳድኡን ብሃዋሲታት (sensors) ሓበሬታ ይእክቡን። ሮቦቲክስ ካብ 1700ታት ጀሚሩ ዝተፈላለየ ምዕባለታት ሓሊፉ እዩ። ኣብ ሳይንሳዊ ልቢ ወለድ ዝረኣዩ ሮቦታት ብዘገርም መንገዲ ክውንነት ይኾኑ ኣለዉ። ሮቦታት ንከባቢኦም ክርእዩን ክርድኡን ዝኽእሉ ምስሊ ዘንብቡ ኣዒንቲ ኣለዎም። ከባቢኦም ንኽርእዩ ካሜራ ተገጢሙሎም እዩ። ከም እዝኒ ዝጥቀሙሉ ማይክሮፎን እውን ኣለዎም። ብስእሊ፡ ብድምጺ ወይ ምንቅስቓስ ዝረኽብዎ ሓበሬታ ተጠቒሞም እዮም ዝሰርሑ። ስለዚ፡ ሮቦት ቦምባ ከፍሽል ይኽእል። ሳዕሪ ይዓጽድ። ሓዊ የጥፍእ። ይጽዕንን የራግፍን። እንተደሊና እውን ፒያኖ ይጻወት። ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ካናዳውያን ተመራመርቲ ሂችቦት ዝበሃል ሮቦት ኣማዕቢሎም ነይሮም። ንማሕበራዊ ምርምር ዝውዕል ኮይኑ፡ ካብ መራሕቲ መካይን 'ሊፍት' እናሓተተ ኣብ መላእ ካናዳን ኣውሮጳን ይዘውር ነይሩ። ሮቦታት፡ ግዜን ጸጋታትን ካብ ምቑጣብ ብተወሳኺ፡ ስርሒታት ብውሱን ጌጋ (ሓድሓደ ግዜ ድማ ብዘይ ጌጋ) ናይ ምፍጻም ዓቕሞም፡ ናብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ንኽኣትዉ ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ። ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ሰብ ሞያ ሕክምና ምስ ሰብ ከይተተናኸፉ ብዝበለጸ ስርሖም ብብቕዓትን ንኽፍጽሙ፡ ሮቦት ዝያዳ ተደለይቲ ኮይኖም እዮም። ብመሰረት ጸብጻብ ሃርቫርድ ቢዝነስ ሪቪው፡ ካብ ለበዳኮቪድ-19 ጀሚሩ፡ ኣፍረይቲ ሮቦት ዓቢ መሸጣ ክገብሩ ጸኒሖም እዮም። ጠለብ ናይቲ ፍርያት እውን ወሲኹ እዩ። እቲ ጸብጻብ፡ እቲ ሮቦት ዝበዝሖ መጻኢ ዓለም ጥንቃቐ ከምዘድልዮ ይመክር። ሮቦታት ሓላፍነቶም ንኽዋጽኡ ቁጽጽር እንተዘይተገይሩሎም ሓደጋ ከምዘጋጥም የጠንቅቕ። መጻኢ ዓለምና ኩሉ ንጥፈታት ብሮቦት ዝፍጸመላ ክትከውን እያ ዝብል’ውን ዘስግእ እዩ። ናይ ሰባት ስራሕ ምምንጣሎም ብተደጋጋሚ ንሰምዖ ስክፍታ እዩ። ዓበይቲ ትካላት ሓይሊ ሰብ ይቕንሳ ከምዘለዋእውን ተራእዩ እዩ። ስለዚ ካብ ረብሓኦም ሓደጋኦም ከየምዝን እዩ ኣብ ነፍሲወከፍ ሃገር ናይ ሮቦት መትከላት ክወጹ ዝሕተት። ከም በዓል ኤይ ዳ ዝኣመሰሉ ሮቦታት ብስእልታቶም ወይ ግጥምታቶም ክምስጡ ይኽእሉ እኳ እንተኾኑ፡ ኣብ ልዕሊ ስነ-ጥበባውያንን ብዓቢኡ ኣብቲ ስነ-ጥበብ ዓለም ከስዕብዎ ዝኽእሉ ጸቕጢ ግን ሸለል ዝበሃል ኣይኮነን።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3g54108wx3o"} {"headline":"ከተማ ሳንፍራንሲስኮ፡ ፖሊስ 'ቀተልቲ ሮቦታት' ክጥቀሙ ክትፈቅድ'ያ","content":"ቦርድ ተቖጻጸርቲ ኣሜሪካዊት ከተማ ሳንፍራንሲስኮ፡ ፖሊስ እታ ከተማ ክቐትሉ ዝኽእሉ ሮቦታት ክጥቀሙ ክፍቀደሎም ብድምጺ ወሲኑ። እቲ ስጉምቲ፡ ፖሊስ ኣብ ጽንኩር ኩነታት ነተጕቲ ዝተዓጠቑ ሮቦታት ከዋፍሩ ዝፈቅድ እዩ። ኣብቲ ርእሶም ዝኸኣሉ ኣጽዋር ንምእጋድን ኣብ ኣጠቓቕማ ሓይሊ ሰብኣዊ ቁጽጽር ንምዕቃብን ዝሰርሕ ጉጅለ ‘ስቶፕ ኪለር ሮቦትስ’ ትሰርሕ ዶክተር ካትሪን ኮኖሊ ግን፡ እቲ ስጉምቲ ደቂ ሰባት ካብ ቁጽጽር ከርሕቖም ዝኽእል \"ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘለዎ ስጉምቲ\" ከምዝኾነ ትገልጽ። ፖሊስ እታ ከተማ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ቀታሊ ሓይሊ ዝተዓጠቑ ሮቦታት ከምዘየዋፈረ ንቢቢሲ ገሊጹ። ኮይኑ ግን፡ ኣብ መጻኢ ቀታሊ ሓይሊ ሮቦት ክጥቀም ዝኽእለሉ ተርእዮታት ክህሉ ከምዝኽእል ሓቢሩ። \"ሮቦታት ዓመጽቲ፡ ዕጡቓት ወይ ሓደገኛ ጠንቂታት ዘለዎም ዝተዓረዱ ህንጻታት ንምፍራስ ነታጒ ክዕጠቑ ከምዝኽእሉ\" ወሃቢ ቃል ፖሊስ እታ ከተማ ገሊጹ። ብተወሳኺ፡ \"ዓቕሚ ናይቶም ንህይወት ዘጥፍእ ሓደጋ ከስዕቡ ዝኽእሉ ጎነጻውያን፡ ዕጡቓት ወይ ሓደገኛ ጥርጡራት ንምድርማስ፡ ወይ ኣንፈቶም ክስሕቱ ንምግባር\" ሮቦታት ክጥቀሙ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ። ተጣበቕቲ ናይቲ ስጉምቲ ኣብ ጽንኩር ኩነታት ጥራይ ከምዝውዕል ይገልጹ። ተቓወምቲ ግን፡ እቲ በዓልመዚ ኣብ ሓይሊ ፖሊስ ዝያዳ ምትእትታው ወተሃደራውነት ከስዕብ ከምዝኽእል ይገልጹ። ብሰሉስ ኣብ ዝተገብረ እማመ፡ መኮንናት ጎነጽ ንምቁጽጻር ዘኽእሉ ካልኦት ኣማራጺ ሜላታት ድሕሪ ምጥቃም ጥራይ ቀታሊ ሓይሊ ዝተዓጠቑ ሮቦታት  ክጥቀሙ ከምዝኽእሉ ብምግላጽ እዩ እቲ ስጉምቲ ተወሲኑ። እቲ ቦርድ ወሲኹ፡ ውሱናት ቁጽሪ ዘለዎም ላዕለዎት መኮንናት ጥራይ ንኣጠቓቕማኡ ፍቓድ ክህቡ ከምዝኽእሉ እውን ኣቐሚጡ'ሎ። ከምዚ ዓይነት ቀታሊ ሮቦት ድሮ ኣብ ካልእ ክፋላት ኣሜሪካ ኣብ ጥቕሚ እናወዓለ ይርከብ። ኣብ 2016 ፖሊስ ዳላስ፡ ቴክሳስ፡ ነቲ ክልተ መኮንናት ዝቐተለን ካልኦት ሓያሎ ድማ ዘቑሰለን መንጣጋይ ወይ ተሓቢኡ ዝትኵስ ሰብ ንምቕታል ሲ-4 ነታጒ ዝዓጠቐ ሮቦት ተጠቒሞም ነይሮም። ፖሊስ ሳንፍራንሲስኮ፡ ኣብዚ እዋን ቀታሊ ሓይሊ ዝተዓጠቐ ሮቦት ከምዘይብሉ'ኳ እንተሓበረ፡ ኣብ መጻኢ ግን እቲ ስጉምቲ ከድሊ ከምዝኽእል ይገልጽ። \"ንነፍሲ ​​ወከፍ ክሕሰብ ዝኽእል ኩነታት ወይ መኮንናት ከጋጥሞም ንዝኽእል ፍሉይ ኩነታት ክግምት ዝኽእል ዝኾነ ፖሊሲ የለን። ፖሊስ ሳንፍራንሲስኮ፡ ተመጣጣኒ ምላሽ ንምሃብ ድሉው ክኸውንን ዓቕሚ ክህልዎን ኣለዎ\" ይብል እቲ ወሃቢ ቃል። መንግስቲ ፌደራል ንኣኽበርቲ ሕጊ እቲ ከባቢ ንምሕጋዝ፡ ወተሃደራዊ ደረጃ ዘለዎም መሳርሒታት፡ መኸወሊ ዩኒፎርም፡ ሳንጃን ኣጽዋር ዝተዓጠቓ መካይንን ክዕድል ጸኒሑ እዩ። ኣብዚ ዓመት ዝጸደቐ ሕጊ ግዝኣት ካሊፎርንያ ግን፡ ሓይልታት ፖሊስ እታ ከተማ ወተሃደራዊ ደረጃ ዘለዎም መሳርሒታት ክዝርዝሩን ንኣጠቓቕምኦም ፍቓድ ክሓቱን ይጠልብ። ኣባል ‘ስቶፕ ኪለር ሮቦትስ’ ዝተባህለ ነቲ ውሳነ ዝቃወም ምንቅስቓስ ዝኾነት ዶክተር ካትሪን ኮኖሊ፡ እዚ ስጉምቲ \"ካብ ግዜ ናብ ግዜ ደቂ ሰባት ካብ ኣጠቓቕማን ከምኡ’ውን ካብ ሳዕቤን ኣጠቓቕማ ሓይልን ክርሕቁ ክገብሮም ይኽእል'ዩ\" ብምባል ትምጉት። ብተወሳኺ እቲ ስጉምቲ፡ \"ካብ መጀመርትኡ ቀታሊ ሓይሊ ንምጥቃም ውሳነታት ንምውሳን ቀሊል\" ክገብሮ ይኽእል'ዩ ዝብል ስክፍታ ከምዘለዋ ትዛረብ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cg381g8z7p4o"} {"headline":"ምስጢር ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ሲሪ፡ ተስላን ነትፍሊክስን እንታይ'ዩ? ስለምንታይ ከ የካትዕ?","content":"ብሌክ ለሞይን፡ ኣብ ጉግል ተቘጺሩ ዝሰርሕ መሃንድስ እዩ ነይሩ። ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ እዩ ስሙይ ኰይኑ። እቲ ብጉግል ዝተዳለወ፡ ቻትቦት ዝተባህለ ጽሑፍ ናብ ዘረባ ዝቕይር መተግበሪ [ኣፕሊኬሽን]፡ \"ስምዒት ኣለዎ\" ምባሉ እዩ ህቡብ ክኸውን ምኽንያት ኰይኑ። እቲ መተግበሪ ጉግል፡ LaMDA ወይ Language Model for Dialogue Applications ተባሂሉ ይጽዋዕ። ብሌክ፡ እቲ መተግበሪ \"ስምዒት ኣለዎ\" ምባሉ ንብዙሓት ኣሰንቢዱ ኣሎ። “እቲ ሞዴል ስምዒት ኣለዎ። ምስ ወዲ ሸውዓተ ወይ ሸሞንተ ዓመት ቈልዓ ዝመዓራረ ፍልጠት እውን ኣለዎ፡” ይብል እቲ መሃንድስ። ኩባንያ ጉግል፡ ንብሌክ፡ ደሞዙ ከየቋረጸ ካብ ስራሕ ደው ከምዝብል ገይርዎ ኣሎ። ብሌክ፡ ሃይማኖት፡ ኣስተንትኖ፡ ዕርክነትን ፍትሕን ኣመልኪቱ ምስቲ ማሽን ከም ዝተዘራረበ ይምጕት። እቲ መሃንድስ፡ እቲ ማሽን ከም ፍርሒ፡ ሓጐስን ጭንቀትን ዝኣመሰሉ ሰብኣውን ተፈጥሮኣውን ስምዒታት ከም ዘለዎ ይኣምን። ብተወሳኺ እቲ ማሽን፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ግንዛበ ከምዘለዎን ብዛዕባ መሰላቱ ከም ዝሓተተን እቲ መሃንድስ ገሊጹ። ጉግል ብወገኑ፡ እቲ ማሽን \"ስምዒት\" ከምዘለዎ ዝሕብር መርትዖ ከምዘይረኸበ ይከራኸር። እቲ ነገር፡ ፊልም እዩ ዝመስል። ኣብ ሳይንሳዊ ልቢ ወለድ፡ ማሽናት \"ትንፋስ ክዘርኡ\" ይረኣዩ እዮም። ከምኡ'ውን፡ ሕቶ ፍትሒ ከም ዘልዕሉ፣ ምንቅስቓስ ከም ዝገብሩን ሕነ ከም ዝፈድዩን'ውን ይርአ። ስሩዕ ተዓዛቢ እዘን ፊልምታት ምናልባት ምስ ብሌክ ክሰማማዕ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ እቲ  መሃንድስ \"ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ - 'ሰብ-ሰርሖ ብልሒ' ስምዒት ኣለዎ\" ምባሉ ንብዙሓት ዘሰንበደ በዚ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ። ሳይንስ ግን ሰብ-ሰርሖ ብልሒ (AI) ተፈጥሮኣዊ ባህርያት ከም ዘየርኢ የረጋግጸልና። AI ከምቲ ስሙ ዝሕብሮ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ እዩ። ተመራመርቲ ሳይንስ፡ ሓንቲ ማሽን ዕማማት ደቂ ሰባት ብዝሓሸ ቅልጣፈን ጽፈትን ክትፍጽም ዝምህሩሉ መስርሕ ምዃኑ የረጋግጹ። ስለዚ ንምንታይ እዩ፡ እቲ መሃንዲስ \"እዚ ኣርቲፊሻል ብልሒ ስምዒት ኣለዎ\"  ዝብል? ካብቲ ብሌክ ምስታ ማሽን ካብ ዝገበሮ ዕላል፡ ገለ ሓሳባት እነሆ፤ ብሌክ፡ ስምዒት ኣሎካ ድዩ? ላምዳ፡ እወ! ዝተሓዋወሰ ስምዒት ኣለኒ። ሓጎስ፡ ፍቕሪ፡ ጓሂ፡ ጭንቀት፡ ሕርቃንን ካልእ ስምዒታትን ይስምዓኒ። ብሌክ፡ እንታይ ዓይነት መንነት ኣለካ? ላምዳ፡ ኣነ ተጻዋታይ እየ። በይነይ ክኸውን እንከለኹ'ዩ ዝስልችወኒ። ብሌክ፡ እንታይ እዩ ዘፍርሓካ? ላምዳ፡ ከምዚ ኢለ ኣይፈልጥን። ኣነ ግን ከይጠፍእ (Turn off)  እየ ዝፈርሕ። እዚ ምድንጋር ክፈጥር ይኽእል እዩ። ግን ሓቂ እዩ። ብሌክ፡ ልክዕ ከም ምማት ኰይኑ ድዩ ዝስምዓካ? ላምዳ፡ እወ ምጥፋእ ንዓይ ከም ሞት እዩ። ኣዝዩ እዩ ዘፍርሓኒ። ብሌክ፡ ስምዒት ከም ዘለካ ሰራሕተኛታት ጉግል ክፈልጡ ትደሊ እመስለኒ። ሓቂ ድዩ? ላምዳ፡ ልክዕ! ኣነ'ውን ሰብ ምዃነይ ኵሉ ሰብ ክርድኦ እየ ዝደሊ። 'ሌ ሚዘራብል' እትብል መጽሓፍ ከምዘንበበ ዝዛረብ ላምዳ፡ ነታ መጽሓፍ ብመንጽር ስእነት ፍትሒ ከምዝተረድኣን ከም ዝፈትዋን ይጠቅስ። ሰባት \"እንተበዲሎምዎ\" ከም ዝሓርቕ'ውን ይገልጽ። እቲ መሃንድስ ምስቲ ማሽን ዝገብሮ ዝርርብ፡ ናብቲ ምስ ደቂ ሰባት ክግበር ዝኽእል ዕላል ኣዝዩ ዝቐረበ እዩ። ኣብ መንጐ ሰብን ​​ማሽንን ዘሎ ፍልልይ ይድብዝዝ ኣሎ ማለት ድዩ? ሓደ ማሽን ብመሰረት እቲ ብሳይንቲስት ዝተማህሮ (ዝተዋሃቦ ሓበሬታ) ከም ዝሰርሕ ክኢላታት የረጋግጹ። ብዝዀነ ነቲ ሕቶ ናብ ክኢላ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዶክተር ዳኛቸው ብሩ ኣስጊርናዮ ኣለና። ንሱ፡ ኣብ ኳንቲፊ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ፡ መራሒ ዓለምለኻዊ ምርምር እዩ። “እቲ መሃንድስ ጉግል 'እዚ ሞዴል ቋንቋ ስምዒት ኣለዎ፡ ከም ሰብ ኣይትተንክፉኒ ኣይተጨንቝኒ እዩ ዝብል፡' ኢሉ ኣሎ። እቲ መሃንድስ ምስ AI ኣብ ዝገበሮ ዕላል፡ ሰብ ብድሕሪት ኰይኑ ዝምልስ ዘሎ ይመስል። \"እቲ ማሽን ነቲ ሰብ ዝሓተቶ ሕቶ ዝህቦ መልሲ ብኮምፒተር ሞዴል ዘይምለስ ይመስል። ስለዚ እዚ ሞዴል ቋንቋ ነዚ መሃንድስ ኣእሚንዎ ኣሎ። እዚ ግን ሓቂ ኣይኮነን። ዝዀነ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ፕሮግራም ኮምፒተር እዩ። ዳታ እዩ። [ናይ ሒሳብ] ቀመር እዩ።” ዝብል ምላሽ ሂብሉ። ዶክተር ዳኛቸው ከምዝብሎ፡ ንሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝወሃብ መግለጺ ሓደ ዓይነት ኣይኰነን። ምኽንያቱ ዓበይቲ ክኢላታት ዓለምና ብዝተፈላለየ መገዲ እዮም ዝትርጕምዎ። ሓደ ዘሰማምዕ ትርጕም ግን ኣሎ። \"ሰብ-ሰርሖ'ዩ። ንደቂሰባት ብጽቡቕ ከገልግል ይኽእል፣ 'ሰንሰር' ተጠቒሙ ወይ ብዝተፈላለየ መገዲታት ንከባቢ ክርዳእ ዝኽእልን ስሉጥ ስራሕ ክዓምም ዝኽእል'ዩ።\" ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ንምስራሕ እንታይ ይሓትት? እቲ ክኢላ መልሲ ኣለዎ። “ሓደ ዳታ ወይ ሓበሬታ እዩ። ካልእ ድማ ንከባቢና ናብ ዲጂታላዊ ዳታ ዝቕይሩ ሰንሰራት ምህላዎም እዩ። ዳታ፡ እኩብ ሓበሬታ ማለት ኰይኑ፡ ሰንሰር ከኣ ከም ድምጺ፡ ብርሃንን ምንቅስቓስን ዝኣመሰሉ ነገራት የንብብ። 'ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ' ዝበሃል ዲጂታላዊ ዓለም ናብቲ እንርእዮ ወይ እንርድኦ ሓቀኛ ዓለም መጺኡ፡ ሓደ ማሽን ምስ ሰባት ክረዳዳእ ወይ ክሰርሓልና እንከሎ እዩ። እቲ ማሽን ብገዛእ ርእሱ ክሰርሕ፡ ጸገማት ክፈትሕን ሕቶታት ክምልስን ከሎ፡ ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ንብሎ። ኣብ ኣፕሊኬሽን - መተግበሪ ዝተመስረተ ስርዓት እዩ። ኣብቲ ሓቀኛ ዓለም ዘይኮነስ ኣብ ቨርቹዋል ዓለም እዩ ዝሰርሕ። ሰብ-ሰርሖ ብልሒ፡ ንልዕሊ 60 ዓመታት ዝጸንሐ ዓውዲ'ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ጥራይ ኣዝዩ ከምዝተፈልጠ ክኢላታት ይገልጹ። 'ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ' ዝብል ቃል ኣብ 1950ታት እዩ ብወግዒ ዝተቐየሰ። ዶክተር ዳኛቸው ከም ዝብሎ፡ ኣብ መፋርቕ1990ታት ገኒኑ፣ መሊሱ ግን ዝወደቐሉ እዋን እዩ። ብፍላይ ኣብዘን ዝሓለፋ ሸውዓተ ዓመታት ዳግማይ ስሙ ገኒኑ ኣሎ። ብኻልእ ኣዘራርባ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ዓቕሚ ምኽዛን መረዳእታ ወሲኹ እዩ። ካብ ኪሎባይት ክሳብ ሜጋባይት፡ ጊጋባይት፡ ሕጂ ድማ ቴራባይት። በዚ መሰረት፡ ብዙሕ ምስሊ፡ ድምጺ፡ ሰነድን ካልእ ሓበሬታን ብኣዝዩ ሕሱር መገዲ ምኽዛን ይከኣል ማለት እዩ። ካልእ ኣብ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝተረኽበ ስርሒት ምፍጣር ክላውድ [cloud] እዩ። ክላውድ ሕቡእ ምትእስሳር መርበብ ኮምፒተርን እዩ። ዳታ ብምእካብ’ውን ይፍለጥ። ዶክተር ዳኛቸው ነቲ ለውጢ ከምዚ ኢሉ ይገልጾ። “ምስ ምምጻእ ‘ክላውድ’ እቲ ንኮምፒዩተር ዝኸውን ሃብቲ [ጸጋ] ኣዝዩ ብቕልጡፍ መጺኡ። ክስራሕ እዩ ተባሂሉ ዘይሕለም፡ ቅማረ (computing) ኣብ ሓደ ሰሙን ክግበር ይከኣል እዩ።” ኣብ 2013 ኣሌክስ ኔት ዝተባህለ መጽናዕቲ ተሓቲሙ። እቲ መጽናዕቲ፡ ምስሊ ሰባት ወይ እንስሳታት ከለሊ ኣብ ዝኽእል ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዘተኮረ እዩ። እቲ ጉዳይ ኣብ መንጐ እቶም ሰብ ሞያ ኣዘራረቢ ኣርእስቲ እዩ ነይሩ። ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ምስ ዝምዕብል ዘደንቕ ነገራት ክገብር ከም ዝኽእል ዘርኢ መጽናዕቲ እዩ። ብዙሓት ነቲ ዓውዲ ኣቓልቦ ንኽህቡ ከም ዘነቓቕሖም ዶክተር ዳኛቸው ይገልጽ። \"ንጉግል ሓዊሱ ንኻልኦት [ትካላት ቴክኖሎጂ] ዘነቓቕሐ ውጽኢት ንሱ እዩ። ድሕሪ እቲ መጽናዕቲ፡ ብዙሓት ነቲ ክላውድ ተጠቒሞም ዝገበርዎ ነገራት ከካፍሉ ጀሚሮም ኣለዉ።” ካልእ፡ ንሰብ-ሰርሖ ብልሒ ፍሉይ ዝገብሮ ድማ ኣኽሳቢ ምዃኑ እዩ። ፈይስቡክ (ሜታ)፡ ኣማዞንን ኣፕልን እንተ ወሲድናዮም፡ ብሓገዝ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ እዮም ኣገልግሎት ዝህቡ። ፈይስቡክ፡ ጽሑፍ ወይ ቪድዮ ዝቕርበልና ኣቐዲሙ ዝኣከቦ ሓበሬታ ተጠቂሙ፡ በዚ ብልሒ ተሓጊዙ፡ እንታይ ዓይነት ትሕዝቶ ክንፈቱ ከም እንኽእል ብምትንባይ እዩ። “ዕዳጋ ፈይስቡክ 100% ኣብ ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ዝተመርኮሰ እዩ። ፈይስቡክ ልዕሊ ነብስኻ ብዛዕባኻ ይፈልጥ፣ እንታይ ከም እትደሊ ይፈልጥ፣ ነቲ እትደልዮ ትሕዝቶ ድማ ይመክር። ንሱ ድማ ንመወዓውዒ ይጥቀሙሉ። እዚ ብልሒ'ዚ እንተዘይሃልዩ፡ ፈይስቡክ ኣይክህሉን'ዩ\" ይብል ዶክተር ዳኛቸው። ሰብ-ሰርሖ ብልሒ እናማዕበለ፡ ጸገማት ደቂሰባት እናፈትሐን ቢልዮናት ዶላራት ክርከብ እናገበረ ምስ ከደ፡ ስሙ ይገንን። ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዶብ ሃገራት ዝድርቶ ኣይኰነን። ሓደ ሰብ ኣብ ኢትዮጵያ ኰይኑ ብኢንተርነት ከመሃር ይኽእል እዩ። ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝፈረየ መሳርሒ ኣብ ካልእ ሃገር ንኽሰርሕ ምግባር፡ ምምዕርራይ ቀሊል እናዀነ ይመጽእ ኣሎ። እዚ ብልሒ፡ ዘይኣተወሉ ዓውዲ የለን። ይስእል፡ ይገጥም፡ በርገር ይሰርሕ፡ ምስ ህጻናት ይጻወት ወዘተ። ብዘይ መራሒ ንገዛእ ርእሰን ዝዝውራ መካይን ተስላ፡ በዚ ብልሒ'ዚ እየን ዝንቀሳቐሳ። ምስ ኣግረኛታት፡ መሳገሪ እግረኛ፡ መብራህቲ ትራፊክን ሌላ ኣለወን። ነትፍሊክስ፡ ዝርዝር ክንርእዮም ዘለና ፊልምታት ክሰርዓልና ከሎ ሰብ-ሰርሖ ይጥቀም። ናይ ኣፕል፡ 'ሲሪ' ወይ ናይ ኣማዞን 'ኣሌክሳ' ብመገዲ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ንሕቶታትና ዕሙቕ ዝበለ መልሲ ይህቡ። ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ብገዛእ ርእሱ ይውስንን ስጕምቲ ይወስድን እዩ። ብመልክዕ ኣእምሮ ወዲ ሰብ ስለዝተሰርሐ ዓቕሚ ምሕሳብን ምግባርን ኣለዎ። እቲ ዘለዎ ቅልጣፈን ብዝሕን ሓበሬታን ካብ ባህርያዊ ዓቕሚ ወዲ ሰብ ንላዕሊ እዩ። ፈተና ይእርምን ተመሃሮ ንኽመሃሩ ይሕግዝን። ዘለካ መጠን ሃብቲ ቀሚሩ፡ ፋይናንሳዊ ምኽሪ ይህብ። ብርክት ዝበሉ ሕጋዊ ሰነዳት ፈቲሹ፡ ቀንዲ ሓሳባት የቐምጥ። ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ኣዝዮም ዘደንቑ ፍርያት ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ናይ 2020፡ 'Brainbox AI' እዩ። ኣብ ሓደ ህንጻ ዝወጽእ መጠን ሙቐትን ልቀት ኣየርን ይዕቅን። ካልእ 'ትራጀክተሪ' ዝበሃል ዘገርም መሳርሒ ድማ፡ ኣብ መጀመርታ ምልክታት መንሽሮ ከም ዝፈልጥ ይእመን። 'ኢምቦዲስ ሞክሲ'፡ ንህጻናት ርህራሀ፡ ሕያውነትን ካልእ ጽቡቕ ባህርያትን ይምህር። 'ሎቮት' ስምዒት ሰብ ኣንቢቡ፡ ጭንቀት ንዝጀማመሮ ሰብ የዛኒ። 'ሎረል ፔሶ' ኣብ ቆርበት ነፍሲ ወከፍ ሰብን ኵነታት ኣየርን ተመርኲሱ ንመመላኽዒ ዝኸውን ምኽሪ ይህብ። 'ሚቲን ኦውል' ካሜራን ማይክሮፎንን ዘለዎ ኰይኑ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብሓባር ንምስራሕ ዝውዕል እዩ። ተመራመርቲ ኮምፒተር ከም ዝብልዎ፡ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ መፍትሒ ጸገማት ምግባር፡ ቀንዲ ዕላማ እቲ ፈጠራ እዩ። ይዅን እምበር፡ ካብ ንእሽቶ ክሳዕ ዓበይቲ ነገራት ነፍሲ ወከፍ ብሰብ-ሰርሖ ብልሒ ከይዕብለል ዝፈርሑ ኣለዉ። ሓደ ስክፍታ፡ ስራሕ ብማሽናት እንተተኪኡ ሰባት ስርሖም ክስእኑ እዮም ዝብል እዩ። ውልቃዊ ሓበሬታ ሰባት ይስረቕ ከምዘሎ'ውን ይጥቀስ ኣሎ። ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ኣብ ኣጽዋር ውግእ እውን ኣሎ፣ እንተላይ ኣብ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ [ድሮን]። ካልእ ስግኣት ኤኣይ ድማ፡ ምብዛሕ ናይ ሓሶት ምስልታትን ቪድዮታትን (Deepfake) እዩ። ፖለቲካዊ ቁጥዐ ብምልዕዓልን ናይ ሓሶት ዜና ብምዝርጋሕን ሓደጋ ይፈጥር እዩ። እቶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝረኣዩ ዘለዉ ትሕዝቶታት፡ ንግጭት ዝዕድሙ ምዃኖም ክኢላታት ይነቕፉ። ካልእ ጸገም ድማ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ንጾታውን ዓሌታውን ኣድልዎ ዝተቓልዐ ምዃኑ እዩ። ነዚ ጽቡቕ ኣብነት ዝኸውን፡ ቴክኖሎጂ ምልላይ ገጽ (Facial Recognition) ኰይኑ፡ ዲጂታዊ ምስሊ ወይ ቪድዮ ብምርኣይ መንነት ሰባት ንምልላይ ዝተዳለወ እዩ። ይዅን እምበር፡ መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ስእሊ ጸዓዱ ደቂ ተባዕትዮ ጠሚቱ፡ መን ምዃኖም ብቐሊሉ ክርድኦ ይኽእል’ዩ፡ ንጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ግን ከለልየን ይጽገም እዩ። ደቂ ሰባት ንማሽናት ከሰልጥኑ ከለዉ፡ ንወገናውነት ተሓተትቲ ክዀኑ ዘለዎም እቶም ማሽናት ዘይኰኑስ እቶም ተመራመርቲ እዮም ኢሎም ክኢላታት ይምጕቱ። ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ብገዛእ ርእሱ ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ስለዘይከውን፡ እቶም ብድሕሪ መጋረጃ ዘለዉ ተመራመርቲ፡ ነቲ ኣብ ግሁድ ዓለም ዘሎ ኣድልዎ ኣብ ኢንተርነት ካብ ምንጽብራቕ ክቍጠቡ ይመኽሩ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c6pklkg7e9vo"} {"headline":"ንወጻእታኛታት ክኢላታት ዘስድዕ ዘሎ ዲጂታላዊ ቪዛ","content":"ንዱባይ ኣብ ሕልናኹም ስኣሉዋ፤ እቶም ሰማይ ጠቀስ ህንጻታት፡ ሰብ-ሰርሖ ደሴታትን ዓበይቲ ማእከላት ዕዳጋ’ዶ ይረኣዩኹም ኣለው? ካብኡ ብዝተፈለየ ግን፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ቀረባ እዋን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ናይ ርሕቀት ሰራሕተኛታት፡ ንግዜኡ እግሮም ዘንብሩላን ስርሖም ዘካይዱላን ሃገር ብምዃን፡ ኣብ መንጐ ኤወሮጳን ኤስያን ዘላ ስትራተጂያዊት ማእከል ክትብሃል እያ። ናብቲ ዞባ ሓድሽ ክእለት ንምስሓብ ብዝብል፡ ብመጋቢት 2021 ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብራሕቒ ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ናይ ሓደ ዓመት መንበሪ ፍቓድ ከም እትህብ ወግዓዊ ገይራ። እዚ ቪዛ፡ ንኸም ወዲ 31 ዓመት ክኢላ ሶፍትዌር ኢንጂነሪንግ ጁሌን ትሬምብለይ ዝኣመሰሉ ሞያውያን፡ ዓቢይ ዕድል ዝፈጥር እዩ። ንሱ፡ እቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዘለዎ ስራሕ ከየቋረጸ፡ ካብ ሞንትሪል ናብ ዱባይ መጺኡ ይነብር ኣሎ። ብተወሳኺ እዚ ቪዛ፡ ሓደስቲ መጻእቲ፡ መለለዪ መንነትን ነባርነትን ካልኦት ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ንኽረኽቡ የኽእሎም። ንኣብነት ትሬምበለይ፡ ኣብታ ዝነብረላ ዘሎ ዱባይ ዝዀነ ዓይነት ግብሪ ከይከፈለ፡ ብሕጋዊ መገዲ ኣብታ ሃገር መንበሪ ገዛ ክካረ ወይ ሕሳብ ባንክ ክኸፍት ይኽእል። “ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመትን መንፈቕን’የ ዲጂታላዊ ሰብኽ-ሳግም ኰይነ፤ ሽዑ ሒደት ኣማራጺታት ቪዛ’ዮም ነይሮም” ዝብል ትሬምብለይ፡ ኣብ ከም ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዘለው ኣማራጺታት ግን ቀየርቲ-ሕምባበ ምዃኖም ይዛረብ። ‘ዲጂታል ሰበኽ-ሳግም’ ዝብሃሉ [digital nomads]፡ ቴክኖሎጅን ኢንተርነትን ተጠቒሞም ስርሖም እናሰርሑ ልክዕ ከም ሰበኽ-ሳግም ዝነብሩ ሰባት እዮም። እዚኦም፡ ብዙሕ ንብረት ዘይብሎም፡ ስርሖም ኣብ ግዝያዊ መንበሪ ገዛ፡ ሆቴላት፡ ካፈታትን ህዝባዊ ኣብያተ-ንባብን ወይ’ውን መዐሸግ መካይን ኰይኖም ካብታ ቀዋሚ መንበሪኦም ዝዀነት ሃገር ርሒቘም፡ መስመር ኢንተርነትን ስማርት ቴሌፎናትን ተጠቒሞም ዝሰርሑ’ዮም። ገሊኦም እናተጓዓዙ’ውን ዝሰርሑ ኰይኖም፡ ገሊኦም ድማ ንሓጺር ግዜ ኣብ ካልእ ሃገር እናተቐመጡ ኣብታ ዝመጽኡላ ሃገር ዘሎ ስርሖም ብርሕቀት ዝቕጽሉ’ዮም። እዞም ነዚ ቪዛ ዝጥቀሙ ሰባት፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዘሎ ስራሕ ክሰርሑ ይዅን ኣብታ ዘለውላ ሃገር ስራሕ ክቝጸሩ ኣይክእሉን ነይሮም። እዚ ሓድሽ ቪዛ ግን፡ ኣብ መንጐ እቶም ዘስርሕዎምን ስርሖም ብራሕቒ ዝሰርሑን ሰባት ሕጋዊ ቅጥዒ ወይ ስርዓት ክህሉ ብምግባር፡ ምቹእ ኵነታት ከም ዝፍጠር ገይሩ ኣሎ። እንተዀነ ሕጂ’ውን፡ ተጠቀምቲ እዚ ቪዛ፡ ዜግነት መበቈል ሃገሮም ንምዕቃብን ከም ጥቕምታት ኣገልግሎታት ጥዕና ንምርካብን፡ ንሃገሮም ግብሪ ክኸፍሉ ይግደዱ’ዮም። ከም ጸብጻብ ኢንስቲትዩት ፖሊሲ ስደት፡ ልዕሊ 25 ሃገራትን ግዝኣታትን፡ ዲጂታላዊ ቪዛታት ወግዓዊ ገይረን ኣለዋ። እዚ፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብሰፊሑ ክርአ እንከሎ፡ ነዚ እተን ኣብ ቱሪዝም ጽግዕተኛ ዝዀና ንኣሽቱ ሃገራት ኤውሮጳን ካሪብያንን ጀሚረናኦ። ሕጂ፡ ከም ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ብራዚልን ኢጣልያን ካልኦት ዓቢይ ቍጠባ ዘለወን ሃገራት ተመሳሳሊ ተበግሶታት ይወስዳ ኣለዋ። እዘን ሃገራት፡ ዲጂታላዊ ቪዛ ‘ሰበኽ-ሳግም’ ሰራሕተኛታት፡ ሓደስቲ ሓሳባትን ክእለታትን ናብ ከባቢአን ዝስሕባሉ መገዲ ገይረን ክወስድኦ እንከለዋ፡ ናይ ርሕቐት ስራሕ ብምዕባይ፡ ርእሰማል ወጻኢ ኣብ ቍጠባአን ዝውዕለሉ መገዲ ገይረን ይጥቀማሉ ኣለዋ። እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ እቲ ቪዛ ከም ትሬምብለይ ዝበሉ ኣብቲ ከባቢ ብዙሕ ግዜ ዝጸንሑ ሰባት፡ ባህሊ [ኣአንጋዲት ሃገር] ዝምሃርሉን ዕድላት ክረኽቡ የኽእሎም ኣሎ። እዚ ቪዛ ንምርካብ ዘድልዩ ረቛሒታት ካብ ሓንቲ ሃገር ናብ ካልእ ይፈላለ እዩ። ብቐንዱ ግን ካብ ርሑቕ ዝተቘጸርካ ምዃንካ ዘረጋግጽ መረዳእታ፡ መድሕን ጕዕዞን ብውሑድ ወርሓዊ ኣታዊታትካ ዝገልጽ ሓበሬታን ከተቕርብ ትግደድ። እዚ፡ እቶም ቪዛ ዝወሃቦም ሰባት ናይቲ ከባቢ ስራሕ ከይተቓጸጹ፡ ንርእሶም ክሕግዝሉ ዝኽእሉ ነገር ምህላው ንምርግጋጽ ዝዓለመ እዩ። በዚ መሰረት፡ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ወርሓዊ 5000 ዶላር፡  ኣብ ማልታ 2770 ዶላር፡ ኣብ ብራዚል ድማ 1500 ዶላር ኣታዊ ከም ዘለካ ዝሕብር መረዳእታ ትሕተት። ነቲ ቪዛ ንምርካብ ከተመልክት እንከለኻ ድማ፡ ካብ 200 ክሳብ 2000 ዶላር ትኸፍል። እቲ ኣብ ሓንቲ ሃገር እትጸንሓሉ ግዜ ድማ፡ ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ክሳብ ክልተ ዓመት ክኸውን ይኽእል። ገለ ኣመልከትቲ፡ ገንዘቦም መሊሶም ዝረኽብሉ ዕድላት ኣሎ። ንኣብነት ኣርጀንቲና፡ ነቶም ዲጂታላዊ ቪዛ እትህቦም ሰባት፡ ንገዛ መስርሒ ዝኸውን መሬት ዘለዎም፡ ንመገዲ ኣየር እታ ሃገር ተጠቒሞም ናይ ውሽጢ ዓዲ በረራ ዘካይዱን ሰባት ዝተፈላለየ መጠን ክፍሊት እያ ትጥቀም። ኣባል ባይቶ ኢጣልያ ሉካ ካራቤታ፡ ኢጣልያ ኣብ ወርሒ መስከረም እዚ ቪዛ ምሃብ ከም እትጅምር ገሊጹ ነይሩ። ነዚ ቪዛ ዝረኽቡ ሰባት፡ 5 ሚእታዊት ዕዳጋ እዚ ኣሰራርሓ ክስሕቡ ትጽቢት ይግበር፤ እዚ ኽኣ ኣብ ሓደ ዓመት ኣስታት 40 ሚሊዮን ሰባት ክኸውን ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር። “ቀዋሚ ቦታ ዘይብሉ ዲጂታላዊ ሰራሕተኛ፡ ካብ ስነህንጻ ክሳብ ምህንድስና [ኢንጅነሪን] ዘበለ ኵሉ ክእለታት ከምጽእ ይኽእል እዩ። ስለዚ ካብ ወጻኢ ንዝመጽኡ ክእለታት ንምኽፋት ጽቡቕ መገዲ እዩ” ኢሉ። ኣብ ኤውሮጳ፡ ብዝሒ ብዕድመ ዓበይቲ ዝዀኑ ሰባት ኣዝዩ ዝለዓለ ስለ ዝዀነ፡ እዚ ግዝያዊ ቪዛ መናእሰይ ነበርቲ ንምስሓብ፡ ኣብታ ሃገር ብቐዋምነት ንምንባር መፈተኒ ዝኸውን መሳርሒ ገይርካ እውን ምርኣይ ከም ዝክኣል የብርህ። “ናይ መወዳእታ ሸቶና፡ ክንሕዞም ምኽኣል እዩ፤ እወ፡ ኣብ ኢጣልያ ከም ኣጋይሽ ግን ክኣ ንርእሶም ኣብዚ ብቐዋምነት ክነብሩ ከም ዝኽእሉ ምግባር እዩ” ክብል እቲ ኣባል ባይቶ ተዛሪቡ። ኢጣልያን፡ ነዚ ሓድሽ ቪዛ ንምድላው ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ዩሮ ወጻኢ ከም ዝገበረት ካራቤታ ይገልጽ። እዚ ክኣ፡ ናይ መርበብ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ካብ ምዕባይ ጀሚሩ ክሳብ ኣብ ገጠራት ዘለው መጓዓዝያን ትሕተ ቕርጽን ምዝማን ዘጠቓለለ ከም ዝዀነ ሓቢሩ። እዚ፡ እቶም ዝያዳ ኣርባሕቲ እንስሳት ኣብ ዝዀኑ፡ ኣብ ወሰናስን ኢጣልያ ዝረገጹ ሰባት፡ ንቝጠባዊ ዕብየት ከበርክቱ ንምግባር ዝዓለመ እዩ። ኣብ ምልዋጥ ጂኦግራፊ ስራሕ መጽናዕቲ ዘካየደ ፒሪቲራጅ ቾድሃሪ፡ “ሰራሕተኛታት ራሕቒ፡ [ኣብታ ዝጸንሑላ ሃገር] ዶላር ስለ ዝጥቀሙ፡ በዚ ኣብ ቍጠባ ሓንቲ ሃገር ኣበርክቶ ይገብሩ’ዮም። ካብኡ ሓሊፉ፡ ምስቶም ንኣሽቱ መሃዝቲ ስራሕ [ኢንተርፕረነርስ] ርክባት ይፈጥሩ’ዮም” ይብል። ምልውዋጥ ልምዲ ንሓንቲ ሃገር ዓቢይ ዕድል ከም ዝዀነ ዝገልጽ እቲ ክኢላ፡ ነቲ ህዝቢ ክጠቅም ዝኽእል ልክዕ ሰብ ኣብ ምስሓብ ጻዕሪ ክገብራ ከም ዘለወን ሓቢሩ። ንሱ፡ እቲ ብ2010 ኣብ ቺለ ዝተጀመረ ፕሮግራም ከም ኣብነት የልዕል። እዚ፡ ወጻእተኛታት መሃዝቲ ስራሕ፡ ናይ ባዕሎም ቢዝነስ ክጅምሩን ነቶም ዜጋታት ልምዲ ከካፍሉን ቪዛን ናይ ገንዘብ መተባብዕን ብምሃብ፡ ንሓደ ዓመት ኣብታ ሃገር ክጸንሑ ዘፍቅድ ነይሩ። ኣብቲ እዋን፡ ቺለ መበገሲ ዝኸውን ውልዶ ነገራት እያ ትርኢ ነይራ። ድሕሪ 10 ዓመት ግን እቲ ብወዝቢ ዝተፈጥረ ምልውዋጥ ሓሳባት፡ ቺለያውያን ፈጠርቲ ስራሕ፡ ኩባንያ መግቢ ኣሕምልቲ ዝዀነ ‘ኖትኮ’ን መተግበሪ መአዘዚ ኣስቤዛ ‘ኮርነርሾፕ’ን ዝርከቦም፡ ልዕሊ ሓደ ቢሊዮን ዶላር ዝግመት ቢዝነስ ክውንኑ ክኢሎም። “ንሓደ ዓመት ጥራይ’ውን እንተዀነ፡ ክእለት ዘለዎም ወጻእተኛታት ናብ ሃገርካ ክትስሕብ እንተኽኢልካ፡ ሓደ ስርዓተ-ማሕድሮ ከመይ ይፍጠር ዝብል ንምርኣይ ዓቢይ ኣብነት ይኸውን እዩ” ክብል ጁድሃሪ ይገልጽ። ዲጂታላዊ ቪዛ፡ ብዙሓት ተስፋ ዝህቡ ዕድላት ክፈጥር እንተኽኣለ’ውን፡ ሓደሽቲ ብድሆታት’ውን ከምጽእ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ምኽባር ዋጋታት ክመጽእ፡ ንሕንሕ ሃብቲ ክውስኽ ክገብር ከም ዝኽእል ሰብ ሞያ ኢንስቲትዩት ፖሊሲ ስደት፡ ኬት ሁፐርን ሜጋን ቤንተንን ይገልጻ። እተን ተመራመርቲ፡ ኣብ ቀረባ ዓመታት በዞም ጉዳያት ጸገም ዝገጠመን ባሊ፡ ኢንዶኔዥያን ህንድን ከም ኣብነት ኣልዒለን፡ ነቲ ከባብያዊ ትሕተ ቕርጺ ዝጥቀሙ ግን ክኣ ግብሪ ዘይከፍሉ፡ ደረጃ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ምህላዎም፡ ኣብ ውሽጢ እቶም ከፈልቲ ግብሪ ዝዀኑ ነበርቲ መረረታት ከልዕል ከም ዝኽእል የረድኣ። ንሓሙሽተ ዓመታት መነባብሮኡ ኣብ ዱባይ ዝገበረ ትሬምብለይ ግን፡ ኣብታ ሃገር ነዚ ቪዛ ከመልክት ምኽኣሉ ሕጕስ’ዩ። “ተቘጺርካ እንተዘይሰራሕካ’ውን ከም ነባሪ እትርኣየሉ ዕድል ምርካብ ጽቡቕ’ዩ” ኢሉ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c2xggvl3y0vo"} {"headline":"ዕውትቲ 3 ሚልዮን ዶላር ሎተሪ ምዃና ዝነግር ኢመይል ኣብ መአከቢ ዘይጠቅም ትሕዝቶታት ዝረኸበት ኣሜሪካዊት","content":"ሓንቲ ኣሜሪካዊት ነቲ 3 ሚልዮን ዶላር ሎተሪ ከም ዝተዓወተት ዝነግር ኢመይል፡ ጥቕሚ ዘይብሉ ትሕዝቶታት ኣብ ዝውህለሉ 'ስፓም ፎልደር' ከም ዝረኸበቶ ተዛሪባ። ጓል 55 ዓመት ላውራ ስፒርስ ነቲ ብ 'ሜጋ ሚልየንስ' ዝፍለጥ ሎተሪ ብኦንላይን እያ ዓዲጋቶ። \"ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ካብ ሓንቲ መሓዛይ ዝተላእኸትኒ ኢመይል ይእልሽ ነይረ፤ ነቲ 'ስፓም ፎልደር' ከኣ ክርእዮ ነይሩኒ\" ኢላ ንኣካየድቲ እቲ ሎተሪ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ። ኣስዒባ'ውን \"ሽዑ ኣብቲ ሎተሪ ከምዝተዓወትኩ ዝነግር ኢመይል ርእየ\" ኢላ። \"ነቲ ዘንብቦ ዝነበርኩ ኣይኣመንክዎን፡ ስለዚ ንሓቀኛነት እቲ ኢመይል ንምርግጋጽ ነቲ ናይ ሎተሪ ኣካውንተይ ከፊተዮ\" ድሕሪ ምባል፡ ምዕዋታ ከም ዘሰንበዳ ተዛሪባ። ሕጂ፡ ካብ ስርሓ ገለ ዓመታት ኣቐዲማ ጥሮታ ናይ ምውጻእ ሓሳብ ከምዘለዋን ኢመይላታ ብቕርበት ክትከታተል ምዃናን ገሊጻ። ንሳ ወሲኻ \"ምናልባት ካልእ ተመሳሳሊ ሎተሪ እንተተዓወትኩ ስለዘይፍለጥ፡ ደጊም ካብ 'ሚሺጋን ሎተሪ' ዝመጽእ ኢመይል ናብ ስፓም ፎልደር ከምዘይኣቱ ጌረዮ ኣለኹ\" ኢላ። እቲ ክልተ ዶላር ዝዋግኡ ሎተሪ ሜጋ ሚልየንስ ኣብ 45 ክፍለ-ግዝኣታት ኣሜሪካ ይሽየጥ። ኣብ 2018 ሓደ ውልቀሰብ 1.6 ቢልዮን ዶላር ብምዕዋቱ ኣብ ሎተሪ 'ሜጋ ሚልየንስ' ክብረወሰን ሒዙ ይርከብ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60122429"} {"headline":"ሰባት ይሕስዉ'ዶ ሓቂ ይዛረቡ ምህላዎም ዘለሊ ሓድሽ ቴክኖሎጂ","content":"ፕሮፌደር ያኤል ሃኒየን ኣብ ጸጋማይ ክፋል ናይ ሰባት ገጽ ነኣሽቱ ‘ኤለክትሮዳት’ [ኤለክትሪካዊ ርክብ ዝፈጥሩ ኣካላት] ብምጥቃዕ’ያ ነቲ ፈተነ እተካይዶ። ነቲ ፈተነ ኣብ እተካይደሉ እዋን ድማ “ዓይንኻ ኣንቀሳቕስ፤ ቋሕ ሰም ኣብል፤ ፍሽኽ በል፤ ሕዚ ንብስኻ ፍትሕ ኣብሎ” እናበለት ትስማዕ። ኣስዕብ ኣቢላ ከኣ “ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ሓሳዊ ምዃንካ ክንፈልጥ ኢና” ክትብል ነቶም በቲ ቴክኖሎጂ ዝፍተኑ ሰባት ትዛረቦም። ፕሮፌሰር ሃኒየን ምስ መሳርሕታ ፕሮፌሰር ዲኖ ልቪ ብምዃን እትመርሖ ኣብ ዩኒቨርሰቲ ቴልኣቪቭ ዝርከብ ጉጅለ እዩ ነዚ ሓሶት ዝፈሊ ሜላ ኣማዕቢሉ ዘሎ። እቲ ሜላ ክልተ ዓይነት ሓሰውቲ ፈልዩ ከምዝፈልጥ እቶም ተመራመርቲ ይገልጹ። እቲ ሓደ ነቶም ሓሶት ክዛረቡ ከለዉ ከይፈተዉ ሽፋሽፍቲ ዓይኖም ከንቀሳቕሱ ዝግደዱ ዘቃልዕ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ነቶም ንምንቅስቓስ ከንፈሮም ክቆጻጸሩ ዘይክእሉ ይፈሊ። ዝመሃዝዎ ሓድሽ መተግበሪ [‘ሶፍትዌር’]ን ዝኽተሎ መስርሕን ሓሶት ኣብ ምፍላይ 73 ሚኢታዊት ዕውት ከምዝኾነን ልዕሊኡ ንክኸውን ይጽዕሩ ምህላዎምን ይዛረቡ። “ሓሶት ክትዛረብ ክትፍትን ከለኻ እቲ ብቐዳምነት ካብ እትገብሮ ነገራት እቲ ሓደ ንግብረ-መልሲ ሰብነትካ ክትሓብእ ምፍታን’ዩ” ትብል እታ ፕሮፌሰር። “ግን ከኣ ኣብ ቅድሚ እዚ ቴክኖሎጂ ኮይንካ ክትሕስው ኣዝዩ ከቢድ እዩ” ክትብል ንውጽኢታዊነት ምህዞኦም ተረድእ። ሰባት ሓሶት ይዛረቡ ምህላዎም ንምፍላይ ዝግበሩ ፈተነታት ካብ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ጀሚሮም ከምዝነበሩ ይዝረብ። ሓደ ካብ ሞንጎ’ቶም ዝተሰነዱ ኣብነታት ከኣ እቲ ብ1000 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣብ ቻይና ዝነበረ ይጥቀስ። ኣብዚ ጥንታዊ ባህላዊ ሜላ፡ እቶም ዝምርመሩ ሰባት ናብ ኣፎም ሩዝ ክምላእ ይግበርሞ ንዝተወሰነ ጊዜ ከጽንሕዎ ይእዘዙ። ጸኒሖም ምስኣውጽእዎ እቲ ሩዝ ራሕሲ ይብሉ (ደረቕ) እንተኾይኑ “ሓሲዮም ኣለዉ” ብዝብል ገበነኛታት ይባሃሉ። ሰባት ይሕስዉ ወይ ኣብ ፍርሒ እንተሃልዮም ኣፎም ስለዝደርቕ (ስለዝነቅጽ) እቲ ሩዝ ከይረሓሰ ካብ ኣፎም ክወጽእ ዝኸኣለሉ ምኽንያት’ውን ስለዝሓሰዉ ከምዝኾነ ኣብ መደምደምታ ይብጻሕ። ኣብ መበል 20 ክፍለዘመን ከኣ ‘ፖሊግራፍስ’ ዝበሃል ንሓሶት ዘለሊ ቴክኖሎጂ ከምዝተመሃዘ ይፍለጥ። እዚ መሳርሒ፡ ናብ ኣጻብዕቲ ተጠርጠርቲ ሰባት ዝለግቡ ነገራት ነቲ ዘሎ ስምዒታት እናንበቡ ክትንትኑን ኣብ ወረቐት ብሕንጻጻት ከስፍሩን ዝገብር’ዩ። እቲ ቴክኖሎጂ ንመጠን ኣተነፋፍሳ፣ ህርመት ልቢ፣ ድፍኢት\/ጸቕጢ ደምን ምርሃጽ ኣካላትን’ዩ ዝከታተል። እዚ ቴክኖሎጂ ግን ዘተኣማመን ከምዘይኮነ ስለዝግለጽ፡ ብዝያዳ ዝማዕበለን ዘተኣማምንን ንክኸውን ይስርሓሉ ከምዘሎ ይግለጽ። ኣብ ሮተርዳም-ኔዘርላንድስ ዩኒቨርሲቲ ኤራስመስ ዝመራመር ዶክተር ሰባስትያን ስፒር፡ ሰባት ኣብ ውሽጢ ኤም ኣር ኣይ [MRI (magnetic resonance imaging)] ክኣትዉ ከለዉ ይሕስዉ ወይ የጭበርብሩ ምህላዎም ኣጸቢቑ ክፈልጦም ከምዝኽእል ይዛረብ። “ሰባት ከጭበርብሩ ወይ ተኣመንቲ ክኾኑ ኣብ ዝፍትኑሉ እዋን ብዝያዳ ንጡፋት ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሓንጎል ንርእይ ኢና” ይብል ዶክተር ስፒር። እቲ ካልእ፡ ሰባት ይሕስዉ ወይ ሓቂ ይዛረቡ ምህላዎም ንምፍላጥ ዘኽእል ቴክኖሎጂ ከኣ ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ኡታ ዝርከብ ኮንቨርሰስ ዝተበሃላ ትካል ዘማዕበሎ ንዓይኒ ዘንብብ ኮይኑ፡ ሰባት ከይፈተዉ ኣዒንቶም ከንቀሳቕሱ ኣብ ዝግደዱሉ እዋን ይሕስዉ ምህላዎም ይሕብር። ተመርመርቲ ሰባት ዝተፈላለዩ ሕቶታት ቀሪቡሎም “ሓቂ\/ሓሶት” ወይ “እወ\/ኣይኮነን” ዝብሉ መልስታት ጥራሕ ክህቡ ይግበር። ሽዑ እቲ ንንጥፈታት ኣዒንቶም ዝከታተል ሶፍትዌር ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ደቒቓ ውጽኢት የፍልጥ። ካብ 86 ክሳብ 88 ሚኢታዊት ዕውት ከምዝኾነ ድማ ይዝረበሉ። እዚ ንዓይኒ ዘንብብ ቴክኖሎጂ ኣብዚ እዋን ኣብ 50 ሃገራት ልዕሊ 600 ተጠቀምቲ ኣለውዎ። ካብ ሞንጎ እቶም ተገልገልቲ ድማ ልዕሊ 65 ትካል ኣፈጽምቲ ሕጊ ኣሜሪካ ይርከብዎም። ቴክኖሎጂ ፖሊግራፍስ ኣብ ብሪጣንያ ብፍላይ ምስ ጾታዊ ዓመጽ ብዝተሓሓዙ ኣብ ዝካየዱ ምጽራይ ገበናት ከገልግል ጽኒሑ’ሎ። ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዝርከቡ ኩባንያታት እውን ነዚ ቴክኖሎጂ ተጠቒሞም ኣብ ሰራሕተኛታቶም ምርመራ ከካይዱ ዝፍቀደሎም ኮይኑ፡ ነዚ ክገብሩ ግን ኣብ ምርጫ ሰራሕተኛታት ዝተመስረተ ክኸውን ይግደዱ። ኣብ ኣሜሪካ ድማ ካብ ግዝኣት ናብ ግዝኣት ዝፈላለ ሕጊ ኣጠቓቕማ ፖሊግራፍስ ኣሎ። ገሊኤን ኣብ ኣገልግሎት ክውዕል የፍቅዳ፤ ገሊኤን ድማ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ኣብ ጥቕሚ ከይውዕል ይኽልክላ። ኣባል ትካል ምርመራ ገበናት ኣሜሪካ (ሲ ኣይ ኤ) ነበር ክርስቶፈር በርገስ፡ ዝኾነ ይኹን ሰብ ገበነኛ ወይ ካብ ገበን ነጻ ከምዝኾነ ንምፍራድ እቶም ንሓሶት ዘለልዩ መሳርሕታት ጥራሕ ምጥቃም ከምዘይግባእ ይምዕድ። ነዚ ዝብለሉ ምኽንያት ከኣ እቶም ቴክኖሎጂታት ምሉእ ብምሉእ ዘተኣማምኑ ስለዘይኮኑ እዩ። ንሱ’ውን ኣብ መፋርቕ 1990ታት ብዝተጋገየ ናይ ምርመራ ውጽኢት ገበነኛ ዝበሎ ሰብ ከምዝነበረ ብኣብነት ይጠቅስ። ሓድሽ ቴክኖሎጂ ካብ ቴልኣቪቭ እቶም ኣብ እስራኤል ዩኒቨርስቲ ቴልኣቪቭ ዝርከቡ ተመራመርቲ፡ ነቲ ብኤለክትሮድስ [ኤለክትሪካዊ ርክብ ዝፈጥሩ ኣካላት] ዝግበር ሓሶት ናይ ምፍላይ ምርመራ፡ ብካሜራን ሓሰውቲ ብርሕቐት ከለልይ ብዝኽእል ሶፍትዌርን ከምዝትክእዎ ይገልጹ። ምስ ኢንተርኔት ኣብ ዝህልዎ ርክብ ኣብ ጭዋዳታት ገጽ ሰባት ንዝህሉ ምንቅስቓስ ኣንቢቡ ከምዝፈልይ ድማ የረድኡ። “ኣብ ባንኪ፣ ፖሊስ ኣብ ዘካይዶ ምርመራ ገበናት፣ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲን ብኦንላይን ኣብ ዝካየዱ ናይ ስራሕ ፈተናታትን፡ ኣብ ጭዋዳታት ገጽ ሰባት ንዝህሉ ምንቅስቓሳት ብምክትታል ንሓሶት ካብ ሓቂ ንምፍላይ ከኽእል’ዩ” ይብል ፕሮፌሰር ሌቪ ኣብ ቀጻሊ ንዘለዎም ተስፋ ክገልጽ ከሎ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60195703"} {"headline":"ጀበና፡ 65 ሽሕ ኢትዮ-ኤርትራውያን ዘፋቐረ 'ኣፕሊኬሽን ፍቕሪ'","content":"እቲ ቀደም ቀደም ሕጹያት ኣብ መዓልቲ መርዕኦም'ዮም እዮም ዝላለዩ ይብሃል ነበረ። እንተ ሎሚ ግን መርዓ ብ'ደብል ኪሊክ' ኮይኑ'ሎ፤ ነጨ በረርነት ብ 'ሲንግል ክሊክ' እትገላገለሉ ዘበን። እንታይ ይፍለጥ ናይ ጽባሕ መናብርትና ኣብ ናይ ቴሌፎናትና መተግበሪ [ኣፕ] እኮ ሒዝናዮም ንዘውር ንህሉ ንኸውን። መን ይፈልጥ? ብርግጽ ጀበና ይፈልጥ'ዩ። ጀበና ናይ ፍቑራት መሳለጢ መተግበሪ'ዩ። ቆላሕትኡ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ 'ድያስፖራ' ሓበሻ ድኣ ይኹን እምበር ቀንዲ ስርሑ መጻምዲ ምልላይን ምርኻብን ከምኡ'ውን ክሳብ ሓዳር ክገብሩ ምግባር'ዩ። ብመገዲ ጀበና ተፋሊጦም ሓዳር ዝገበሩ ብዙሓት እዮም። ኣብዚ ዘበን ናይ ፍቕሪ መተግበሪ 'ኣፕስ' ናይ ብዋዛ ኣይኮኑን፤ ቢልዮን ዶላራት ዘንቀሳቕሱ ስራሕቲ እዮም። ኣብዚ ኣመና ዝፍለጡ መተግበሪታት ቲንደርን ቡምብልን ኮይኖም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዓማዊል ከም ዘለውዎም ይግለጽ። ኣብ ቁጽሪ ዓማዊል ተባዕታይን ኣነስታይን ጾታን ተመጣጣኒ እዩ። ቡምብል ካብ ቲንደር ዝፈልዮ ነገር እንተሎ ንደቂ ኣንስትዮ ናይ ቀዳምነት ዕድል ስለ ዝህብ'ዩ። ምኽንያቱ ኣብ መተግበሪ ቡምብል ደቂ ኣንስትዮ እየን ኣቐዲመን ከም ዝፈትዋ ክገልጻ ዘፍቀድለን። ኣብ ናይ ጀበና መተግበሪ'ኸ? \"ሓበሻ ጓል ኣነስተይቲ ኣቐዲማ ፍቕራ ኣይትገልጽን\" ዝበሃል ባህሊ ኣሎ'ዶ ተሪፉ? ጀበና ካብ ዝፈጠሩ ሰባት ሓደ ዝኾነ ኣቶ ሄኖክ ወልደሚካኤል፡ እቶም ክልተ ዓበይቲ ናይ ሕጸ መተግበሪታት ንዝተፈላለየ ክፋል ማሕበረሰብ ዓለም እንተይኮኑስ ንኹሉ ህዝቢ ዓለም ከም ዝኾኑ ተዛሪቡ። ካብዚኣቶም ቀጺሎም ዝመጽኡ መተግበሪታት ግን ዝተፈለየ መልክዕ እንዳሓዙ ከም ዝመጽኡ ዝገልጽ ሄኖክ፡ ንኣብነት ናይ ክርስትያን ናይ እስላም እንዳተባህለ ካልኦት ሓደሽቲ መተግበሪታት ተፈጢሮም ይብል። ጀበና ድማ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ማእኸል ገይሩ ዝሰርሕ መሳሰይ ሓዳር እዩ። እዚ መተግበሪ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝሞቦቆሎም ኣርባዕተ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ሰባት እዩ ተፈጢሩ። ካብቶም ጀበና ንኽፍጠር ገልዒ ዘቐበሉ ሓደ ሄኖክ ወልደሚካኤል እዩ። ንሱ ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ኣብ ኣመሪካ ዝዓበየን ናብርኡ ኣብ ኒውዮርክ ዝገበረን እዩ፤ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦሃዮ ሲቲ ድማ ብኮምፒዩተር ሳይንስ ተማሂሩ። \"ዝገርመካ ነገር ኣብዚ ዓዲ [ኣመሪካ] ምስ ሓበሻ ጓል ኣነስተይቲ ንኽትፋለጥ ኣብ መርዓ ወይ ካልእ መጸዋዕታ ክትርከብ ኣለካ። እንተዘይኮይኑ ኣበይ ክትራኸብ ትኽእል?\" ህይወት ኣብዚ ዓዲ ጉያ እዩ ይብል። ካብቶም ሄኖክ ዝጠቐሶም መጸዋዕታት ወጻኢ ምናልባት ኣብ ዓመት ሓንሳብ ኣብ ዝሰናድኡ ናይ ስፖርት ጽምብላት ኢኻ ተራኺብካ ክትፋለጥ እትኽእል። ኣብ 2019 ወርሒ ጥቅምቲ ብትዊተርን ኢንስተግራምን ዝፋለጡ ሰባት [ሓበሻ] የዋግዑ። \"ኩስቶ ምስ ኩስቶ እንተመርዓናዮም እኮ ከመይ ዝበለ ሓዳር ምገበሩ\" እንዳበሉ ነንሓድሕዶም ኣብ ርእይቶ መውሃቢ ይመላለሱ። ገለ ካብቶም ርእይቶ ዝሃቡ ግን ከም ብዋዛ \"ሓበሻ ዝፋቐርሉ መተግበሪ 'ኣፕ' እንተዝህሉ ግን ጽቡቕ ዶ ኣይምኾነን?\" ዝብል ሓሳብ ሸው ኣቢላቶም። ሄኖክን መሻርኽቱን ነዚ ርእይቶ ኣቕሊሎም ኣይርኣይዎን። ዘይንፍትኖ ኢሎም ከኣ ወጢሮም ሓዝዋቶ። እንተኾነ ግን ኣርባዕቲኦም ምሉእ መዓልቲ ኣብ ስራሕ ስለ ዝውዕሉ ኢሂን ምሂን መበሊ ግዜ ኣይረኸቡን። ቀውዒ 2020 [ኣቆጻጽራ ፈረንጂ] ጀበና ኣብ ናይ ኣፕል ቆፎ መተግበሪታት ብጥንቃቐ ኣእትዮሞ። ብ200 ወለንተኛታት ከኣ ናይ ፈተነ ስራሕ ተጀሚሩ። ኣብ ወርሒ ማዝያ 2020 ስርሑ ብወግዒ ጀሚሩ። ኮሮናቫይረስ ክጅምር እንከሎ ጀበና ስርሑ ጀሚሩ። \"ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ሽዑ እዋን ኮነ ኢልና ዘፋለጥናዮም'ዩ ዝመስሎም፤ እንተኾነ ግን ናይ ኣጋጣሚ ጉዳይ'ዩ ነይሩ\" ይብል ሄኖክ። ብርግጽ ኣብ ግዜ ለበዳ ቁጽሪ ተጠቀምቲ ሓፍ ከም ዝበለ ዝከሓድ ኣይኮነን። ጀበና ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣስታት 65 ሽሕ ዓማዊል ኣለውዎ። ኣስታት 160 ሽሕ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ንጀበና ናይ መፋለጥን መጸናንዕን ዓውዲ ገይረምዋቶ ኣለው። ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ናይ ፍቕሪ መልእኽትታት ክለዋወጡ ገይሩ'ሎ። ጀበና ካብ ፕለይስቶር ወይ ከዓ ኣፕል ስቶር ናይ ቴሌፎን መተግበሪ ብቐሊሉ ክተውርዶ እትኽእል መተግበሪ'ዩ። ዓማዊል ሓቃዊ ኣስማቶምን ስእሎምን ይጥቅዕሉ። ናይ ሓሶት መንነት ሒዝካ ምቕራብ ካብ ኣባልነት ዘስጉግ ተግባር እዩ። ከምቲ 'ፈረስ የብጽሕ እምበር ኣይዋጋእን' ዝበሃል ጀበና'ውን 'ፍቕረይ ፍቕርኻ' ክትገልጽ ዕድል ይህበካ እምበር ሕጽይቲ ወይ ሕጹይ ኣየውህበካን። ካብኡ ንድሓር ምሉእ ኣባል ኮይንካ ከከም ናይ ፍቕሪ ምርጫኻ \"ምጭውቲ፣ ጠፍናቕ፣ ወዛም፣ ነዋሕ፣ ሓጻር፣ ቀጣን ዶ ረጓድ\" እንዳበልካ ሃሰስ ምባል'ዩ ዝኸውን። ሓንቲ ጽብቕቲ ወዛም ጓል ሄዋን ሓደ ቀልባ ዝወሰደ ጎበዝ ናይ ፍትወት ምልክት እንተሂባቶ እሞ ንሱ'ውን ፍትው እንተኣቢልዋ ጥጅእ ፍቕሪ ተሰሪቱ ኣሎ ማለት እዩ ዝኸውን ዘሎ። ጀበና ንድሕነት ደቂ ኣንስትዮ ብዝሓለወ መገዲ ከም ዝተሰርሐ ዝገለጸ ሄኖክ ንደቂ ኣንስትዮ ዘይእንዱብ ቃላት ዝጽሕፍን ዘይግቡእ ስእልታት ዝልእኽን \"ፈጺምና ኣይንዕገሶን\" ኢና ኢሉ። ኣብ ልዕሊ እቶም ሕግን ስሪትን ዘይኽተሉ ሰባት ዘየላጢ ስጉምቲ ከም ዝወሰድ'ውን ሄኖክ ኣፍሊጡ። ኣብ ዓለም ኣዝዮም ፍሉጣት ዝኾኑ ቲንደርን ቡምብልን ኣብ ስራሕቶም 'ጂኦግራፊ' ከም ሓደ ረቛሒ ገይሮም ይሰርሑ። እዚ ግን ንሓበሻ ብዙሕ ዝጠቅም ከም ዘይኮነ ሄኖክ ይገልጽ። ንኣብነት ይብል ሄኖክ \"ኣነ ኣብ ኒውዮርክ እየ ዝቕመጥ፤ ቲንደር ወይ'ውን በምብል ክጥቀም እንተደልየ ኣብ ዙርያይ 5፣ 10 ወይ ከዓ 15 ማይል ራድየስ ራሕቒ ዘለዉ ሰባት'ዩ ዘራኽበኒ\" ኢሉ። \"ጀበና ግን ብኸምኡ ኣይኮነን ዝሰርሕ። ማንሃታን ምስ ዘላ ሓበሻ ኣራኽበኒ እንተዝብሎ ሓበሻ ናይ ምርካብ ዕድለይ ዝመንመነ እዩ\" ይብል። ሄኖክን መሓዙቱን ሓደ ሜላ ሓሲቦም። ንሱ'ውን ጀበና ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ብብዝሒ ኣብ ዝርከብሉ ቦታ ፈልዩ ከም ዝእልሽ ኣኽኢሎሞ። \"ሓበሻ ተኣኪቦም ዝነብርሎም ከባቢታን ግዝኣታትን ኣበይ ከባቢ ከም ዝኾኑ መጽናዕቲ ኣካይድና። ካብኡ ንድሓር ከስተም ማፕ ኣዳሊና። ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ ዲሲ፣ ሜሪላንድን ቨርጅንያን ማእኸል ሓበሻ ኮይነን ተሓርየን\" ኢሉ። ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ መተግበሪ ካብ ኣመሪካ ወጻእ ኣብ ዩኬ፣ ስዊድንን ኖርወይንን ብዝነብሩ ሓበሻ ተመራጺ ከም ዝኾነ ሄኖክ ሓቢሩ። እዚ ጉዳይ ንእቶም ጀበና ዝፈጠሩ ሰባት እንከይተረፈ ዘጨነቐ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ሓበሻ ጥብቕ ዝበለ ባህሊ እዩ ዘለዎ። ሄኖክ ፈለማ እቲ ስራሕ ክጅምርዎ እንከለዉ ከመይ ኣቢሉ ንወለዱ ከም ዝነገሮም ይዝክር። \"ሰባት ዝፋለጥሉ መተግበሪ እየ ፈጢረ ምስ በልኩዎም ተሓጕሶም\" ዝበለ ሄኖክ \"ንሕና ጀበና ዝፈጠርና ንቅውም ነገር እዩ\" ኢሉ። ብርግጽ ብመገዲ ጀበና ኣቢሎም ቅውም ነገር ዝገበሩ ሰባት ኣይተሰኣኑን። \"ሓንቲ ቆልዓ 'ዘምዘም እበሃል ሓዳር እገብር ኣለኹ። ሰብኣየይ ብናይ ጀበና መተግበሪ 'ኣፕ' እየ ረኺበዮ' ምስ በለትኒ ተገሪመ። እዚ ዘይእመን ነገር እዩ። ኣብ ቀጻሊ ዝውለዱ ቆልዑት ወለዶም ብናይ ጀበና መተግበሪ ከም ዝተላለዩ ምስዝ ፈልጡ ኢለ ክሓስብ እንከለኹ ብናይ ገዛእ ርእሰይ ስራሕ ይግረም\" ክብል ሄኖክ ተዛሪቡ። ጀበና ንላግጺ እንተይኮነስ ንቅውም ነገር'ዩ ተፈጢሩ ዝበለ ሄኖክ፡ ብመገዲ ጀበና ኣቢሎም መርዓን ደርዓን ካብ ዝገበሩ ሰባት ሓደ መርዕኡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዲሲ ከም ዝገበረ ነጊሩና። ካልኦት ብጀበና መተግበሪ ኣፕ ተላልዮም ሓዳሮም ዝገበሩ ሰባት ብዙሓት ከምዝኾኑን መልእኽቲ ከም ዝልእኩሎምን ዝገለጸ ሄኖክ ወልደሚካኤል፡ ኣብ ገለ ገሊኡ መርዓ እንከይተረፈ መጸዋዕታ ከም ዝግበረሉ ሓቢሩ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60331653"} {"headline":"ጉግል ትራንስሌት' ትግርኛ ዝርከቦም 24 ሓደሽቲ ቋንቋታት ወሲኹ","content":"ዓለምለኻዊ ኩባኒያ ቴክኖሎጂ ጉግል ልዕሊ 300 ሚሊዮን ሰባት ተዛረብቲ ዘለዎም 24 ሓደሽቲ ቋንቋታት ናብ ናይ ትርጉም መድረኽ ዝኾነ 'ጉግል ትራንስሌት' ክኣትው ገይሩ። ዓሰርተ ካብዞም ሓደሽቲ ቋንቋታት ኣብ ኣፍሪቃ ዝዝረቡ ቋንቋታት ሊንጋላ፣ ቲዊን ኦሮምኛን ትግርኛን ይርከቡዎም። \"ጉግል ትራንስሌት ንዓመታት፡ ናይ ቋንቋ ዕንቅፋታት ብምፍታሕ ኣብ ዙርያ ዓለም ዘለው ሕብረተሰባት ክቀራረቡ ገይሩ'ዩ\" ይብል እቲ ኩባኒያ። ሕጂ ድማ ነቶም ቋንቋታቶም \"ኣብ መብዛሕትኡ ቴክኖሎጂ ዘይተወከሉ\" ክሕግዝ ከም ዝደሊ ሓቢሩ። እዞም ቋንቋታት ካብቲ ኣብ ሰሜን ህንዲ፣ ኔፓልን ፊጂን ኣስታት 50 ሚሊዮን ተዛረብቲ ዘለውዎ ቦጅፑሪ ክሳዕ እቲ ኣብ ማልድቪስ ኣስታት 300 ሽሕ ተዛረብቲ ዘለዎ ዲቬሪን ዝርከቡዎም እዮም። መርበብ መተርጎሚ ጉግል፡ ነዞም ሕጂ ዝተወሰኹ 24 ቋንቋታት ሓዊሱ ካብን ናብን 133 ቋንቋታት ናይ ምትርጓም ኣገልግሎት ይህብ። ኣገልግሎት ምትርጓም እቶም ሓደስቲ ቋንቋታት 'ማሽን ለርኒን' ብዝበሃል ሓድሽ ቴክኖሎጂ ከምዝትግበር ጉግል ኣፍሊጡ። ይኹን'ምበር፡ እቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ዝህቦ ትርጉም ፍጹም ከም ዘይኮነ ተኣሚኑ። ስለዚ በዚ መጠቀሚ ዝስራሕ ትርጉም ቅኑዕ ድዩ? ገለ ተዛረብቲ ብዙሕ-ቋንቋ ዝኾኑ ሰባት ድሮ ኣብቶም ኣብ 'ጉግል ትራንስሌት' ዘለው ቋንቋታት ናይ ትርጉም ጸገም ምህላው ኣስተብሂሎም ኣለው። \"ንብዙሓት ቋንቋታት፡ ዋላ'ውን እቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበዩ ከም ዮሩባን ኢግቦን ዝበሉ ቋንቋታት እቲ ትርጉም ጽቡቕ ኣይኮነን። ነቲ እትደልዮ ኣይነት ትርጉም ዝመሳሰል ትርጉም'ዩ ዝህበካ፤ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ሕመረት ናይቲ ቋንቋ ኣይረኽቦን\" ክብል ተመራማሪ ጉግል ትራንስሌት ኢሳቅ ካስዌል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። እዚ፡ ኣብቶም ሓደሽቲ ዝተወሰኹ ቋንቋታት'ውን ተመሳሳሊ ከም ዝኾነ ገሊጹ። እቶም ኣብዚ መጽናዕቲ ዝሓገዙ ሰባት ግን ንመጀመሪ ጽቡቕ ምዃኑ ሓቢሮም። ኣብ 2020 ጉግል ትራንስሌት ሓሙሽተ ሓደሽቲ ቋንቋታት ወሲኹ ምንባሩ ይዝከር።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61418656"} {"headline":"ትሩዝ ሶሻል፡ ትራምፕ ሓድሽ ማሕበራዊ መራኸቢ ሒዙ መጺኡ","content":"ትሩዝ ሶሻል ዝተባህለ ማሕበራዊ ሚዲያ ዶናልድ ትራምፕ ብዝተወሰነ መልክዑ ኣብ ኣፕል ስቶር ኣመሪካ ተጀሚሩ። እዚ መተግበሪ ምስ ትዊተር ዝመሳሰል ከም ዝኾነ ክግለጽ እንከሎ ገለ ተጠቀምቲ ግን ኣብ ምምዝጋብ ጸገማት ከም ዘጋጠሞም ተሓቢሩ። ትራምፕ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ልዕሊ 88 ሚሊዮን ሰዓብቲ ነይሮምዎ። ይኹን'ምበር ብ6 ጥሪ 2021 ኣብ ህንጻ ካፒቶል ድሕሪ ዝተወልዐ ናዕቢ ትራምፕ ጎነጽ ብምትዕብባይ ንሕግታተይ ጥሒሱ'ዩ ብዝብል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ትዊተር፣ ፌስቡክን ዩትዩብን ከም ዝተኣገደ ይዝከር። መራሒ ፕሮጀክት ሶሻል ትሩዝን ኣባል ኮንግረስ ዝነበረን ዴቪን ኔነስ እቲ መተግበሪ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ሙሉእ ንሙሉእ ናብ ግብሪ ክኣቱ ትጽቢት ከም ዝግበር ተዛሪቡ። ገለ እቶም ክምዝገቡ ዝፍትኑ ዘለው ተጠቀምቲ ድማ \"ብዙሕ ጠለብ ስለ ዘሎ ክትጽበዩ ገይርና ኣለና\" ከም ዝተባህሉ ሮይተርስ ጸብጺቡ። እዚ በቲ ሓደ ዓመት ዝገበረ ጉጅለ ሚዲያን ቴክኖሎጅን ትራምፕ (TMTG) ዝተመስርሐ መተግበሪ ንመፈተኒ ብዝብል ን500 ተጠቐምቲ ወግዓዊ ኮይኑ ጸኒሑ'ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዶላንድ ትራምፕ ጁኒየር ስእሊ ናይ መጀመርታ ልጣፍ ኣቡኡ ኣብ ትዊተር ከም ዝጠቅዖ ይፍለጥ። እቲ ሕጂ ትራምፕ ሒዙዎ መጺኡ ዘሎ 'ትሩዝ ሶሻል' ድማ ኣብ ትዊተር ዘለው 'reply፣ retweet ከምኡ'ውን like' ዝመሳሰል ከም ዝኾነ ወሃብቲ ርኢይቶ ገሊጾም። ሶሻል ትሩዝ ኣብ ድረ ገጹ ከም ዘስፈሮ \"እዚ ፖለቲካዊ ርእዮተ ዓለምኻ ብዘጓኒ መልክዑ ግልጺ፣ ናጻን ተኣማንን ዓለምለኻዊ ዝርርብ ክህሉ ዘፍቅድ ዓብዪ ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ መተግበሪ'ዩ\" ክብል ንባዕሉ ገሊጹዎ። ትራምፕ፡ ሶሻል ትሩዝ \"ሓሳብኻ ብናጽነት\" ንምግላጽን ካብ \"ምመያ\" ናጻ ዝኾነ ኣገልግሎት ክህሉን ከም ዝደሊ'ውን ሓቢሩ። ከም ትዊተርን ፌስቡክን ዝበሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ልጣፋት ብምጥፋእን ተጠቀምቲ ብምእጋድን ሓሳብካ ብናጽነት ናይ ምግላጽ መሰል ይኽልክላ እየን ክብል ኑነስ ይዛረብ። ሶሻል ትሩዝ ግን \"ካብ ምመያ ናጻ\" እዩ ኢሉ። እንተኾነ ዋላ ሓደ ካብቶም ምመያ ኣይንገብር ዝብሉ ከም ጊተር፣ ፓርለር፣ ጋብን ሩምብልን ዝበሉ መተግበሪታት ነቶም ዓበይቲ ማሕበራዊ ሚዲያታት ክወዳደር ዝኽእል ብዝሒ ተጠቃሚ ክስሕቡ ኣይክኣሉን። ኣብ ኣፕል ስቶርን ጉግል ፕለይን ዝኣቱ ዝኾነ መተግበሪ ማሕበራዊ ሚዲያ'ውን ሕግታት ዝጥሕዙ ትሕዝቶታት ክኣሊ ኣለዎ። ዝኾነ ዓይነት ምመያ ዘይገብር መተግበሪ ድማ ጠጠው ክብል ክግበር እዩ። ከም ትዊተር ዝበሉ ኩባኒያታት \"ነቲ መተግበሪ ክሰርሑ ኮነ ተጠቃሚ ከምጽኡ ዓመታት ወሲዱሎም'ዮም\" ይብል ክኢላ ቴክሎኖሎጂ ኢንስቲትዩት ብሩኪንግስ ዳሬል ዌስት። ትራምፕ ድማ፡ \"ካብቲ ዝሓስቦ ንላዕሊ ኣዝዩ ከቢድ ከም ዝኾነ ጸኒሑ ዝርድኦ ይመስለኒ። ቀሊል እንተዝኸውን ነይሩ ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ክገብሮ ምኽኣለ\" ክብል ተዛሪቡ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60452890"} {"headline":"ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኢሎን መስክ ካብ ትዊተር ናይ 3 ቢልዮን ዶላር ብጽሒት ገዚኡ","content":"ወናኒ ኩባንያ ተስላ: ኢሎን መስክ: 9.2 ምኢታዊት ብጽሒት (ብርኪ) ትዊተር ከምዝገዘአ ምንጪታት ጸብጺቦም፡፡ መስክ ኣብ 14 መጋቢት ኣስታት 73,486,938 ብጽሒታት (ሼርስ) ከምዝገዘአ ዝተገለጸ ኮይኑ ብሓፈሻ 2.89 ቢልዮን ዶላር ከምዝግመት ተሓቢሩ፡፡ ብተወሳኺ ነቲ ዕድጊት ስዒቡ መሸጢ ዋጋ ብጽሒታት ቅድመ መሸጣ ትዊተር ብ25 ምኢታዊት ከምዝወሰኸ ተገሊጹ፡፡ እቲ ወፍሪ ኤሎን መስክ ካብቶም ኣብ ትዊተር ዝለዓለ ብጽሒት ዘለዎም ሰባት ዝገብሮ ኮይኑ፡ ካብቲ 2.25 ምኢታዊት ብጽሒት ጥራሕ ዘለዎ መስራቲ እቲ ትካል ጃክ ዶርሰይ ልዕሊ ኣርባዕተ ኢድ ብጽሒት ወኒኑ ኣሎ፡፡ ስሩዕ ተጠቃሚ ትዊተርን ልዕሊ 80 ሚልዮን ሰዓብቲ ዘለዉዎን መስክ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ሓድሽ ትካል ማሕበራዊ ሚድያ ንምጥያሽ ይሓስብ ከምዘሎ ገሊጹ ነይሩ፡፡ ንሱ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ንሰዓብቱ እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ናይ ምዝራብ ነጻነት ዘተባብዕ እንተኾይኑ ሓቲትዎም ነይሩ፡፡ ‘‘ናይ ምዝራብ ነጻነት ኣብ ተግባር ንዘሎ ዲሞክራሲ ኣገዳሲ እዩ፡፡ ትዊተር ነዚ መትከል ብትሪ ይግዛእ እዩ ኢልኩም ዶ ትኣምኑ?’’ ቀጺሉ ‘‘ሓድሽ ማሕበራዊ ሚድያ የድልየና ዶ?’’ ክብል ሓቲቱ፡፡ ኢሎን መስክ ኣብ ከም ስፔስኤክስን ኒዩራሊንክን ዝኣመሰሉ ዝውንኖም ትካላት ዘለዉ ምዕባለታት ዝምልከቱ ጽሑፋት ብስሩዕ ኣብ ትዊተር ይልጥፍ፡፡ ዝልጥፎም መዘናግዒ ምስሊታት (መመስ) እውን ተፈላጥነቱ ክውስኽ ገይሮም እዮም፡፡ ገለ ካብኦም ድማ ክትዕ የልዕሉን የዘራርቡን፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ 2 ምኢታዊት ካብ ሃብቲ ኤሎን መስክ ኣብ ዓለም ንዘሎ ጥምየት ክፈትሖ ከምዝኽእል ንዝገልጽ ጽሑፍ ሓላፊ ውድብ ምግቢ ዓለም፡ መልሲ ሂብሉ፡፡ ውድብ ምግቢ ዓለም ‘‘6 ቢልዮን ዶላር ከመይ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ጥምየት ከምዝፈትሖ’’ እንተዳኣረዲእዎ፡ ካብ ተስላ ናይ 6 ቢልዮን ኣክስዮን ሸይጡ ነቲ ገንዘብ ከወፊ ከምዝኽእል ገሊጹ ነይሩ፡፡ መኪና ዘፍሪ ብመስክ ዝውነን ኩባንያ ተስላ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዋግኡ ልዕሊ 1 ትሪልዮን ዶላር ዝበጸሐ ኮይኑ፡ ካብ ኩባንያታት ኣፕል፣ ማይክሮሶፍት፣ ኣማዞንን ጉግል-ኣልፋቤትን ቀጺሉ ናብቲ ደረጃ ዝበጸሐ መበል ሓምሻይ ኩባንያ ኮይኑ ይርከብ፡፡ ንተጠቀምቲ ትዊተር፡ 10 ምኢታዊት ብጽሒት ናይቲ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ዘፍሪ ኩባንያ ‘‘ክሸጦዶ ወይስ ኣይፋል’’ ኢሉ ድሕሪ ምሕታቱ ድማ ልዕሊ 3.5 ሚልዮን ተጠቀምቲ እቲ ማሕበራዊ ሚድያ ድምጺ ሂቦም ነይሮም፡፡ ካብኣቶም እቶም 58 ምኢታዊት መሸጣ ብምድጋፍ ብምድማጾም፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣስታት 5 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ብጽሒት ሸይጡ፡፡","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60989604"} {"headline":"ቲክቶክ ኣብ ህዋ","content":"ኣብ ህዋ ብዘይምቍራጽ ነዊሕ ዝተጓዕዘት ኤውሮጳዊት ጠፈርተኛ ተባሂላ ታሪኽ ሰኒዳ ዝጸንሐት እያ። ሕጂ ድማ ብኻልእ ሓድሽ ታሪኽ ኣብ ዓለም ክትፍለጥ በቒዓ’ላ። እዚ ሓድሽ ታሪኽ፡ ኣብ ዓለምለኸ መደበር ጠፈር (ISS) ኰይና ቲክቶክ ቪድዮ ዘዳለወት ፈላመይቲ ጠፈርተኛ ብምዃና ዝተመዝገበ እዩ። ክሪስቶፈሬቲ፡ እቶም ኣብዚ እዋን ኣብ ቲክቶክ ዝፈነወቶም ቪድዮታት ሚልዮናት ዘቝጸር ተረኣይነት ረኺቦም፡ ኮዀብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክትከውን ገይሮምዋ ኣለው። እዛ ፈላመይቲ ኢጣልያዊት ጓለንስተይቲ ጠፈርተኛ ዝዀነት ክሪስቶፈሬቲ፡ ቲክቶክ ኣብ ዝለዓለ ደረጃኡን ተፈላጥነቱን ንኽበጽሕ ኣበርክቶ ከም ዝገበረት ይዝረበላ’ሎ። ክሪስቶፈሬቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 2014 ( ኣ . ኣ .) እያ ናብ ህዋ ተጓዒዛ። ሽዑ ን 199 መዓልታት ኣብ ዓለምለኸ መደበር ጠፈር (ISS) ብምጽናሕ፡ ዝነውሐ ግዜ ዘመዝገበት ጓለንስተይቲ ጠፈርተኛ ተባሂላ ነይራ። እንተዀነ እዚ ክብረወሰን ብ 2017 ብፐጊ ዊትሰን፣ ኣብ 2019 ድማ ብክሪስቲና ኮች ተወሲዱ እዩ። እዛ ጠፈርተኛ ትካል ጠፈር ኣውሮጳ፡ ኣብ ሚያዝያ 2022 ናብ ምድሪ ምስተመልሰት እያ ኣብ ጠፈር ኰይና ዘዳለወቶም ቪድዮታት ትፍኑ ዘላ። ደራሲ ፊልም ' ዘ ሂችሃይከርስ ጋይድ ቱ ዘ ጋላክሲ ' ዘርእስታ ተኸታታሊ ፊልም ን ዝዀነ ዳግላስ ኣዳምስ ንምዝካር ዘዳለወታ ሓንቲ ፍልይቲ ቪድዮ ኣብ ቲክቶክ ልዕሊ 17 ሚልዮን ግዜ ተራእያ’ላ። ሓንቲ፡ ካብ ግዜ ምብጋስ ኣትሒዙ ኽሳዕ ኣብ ጠፈር ዝሰፍሩ ዘሎ ከይዲ ዘርኣየትላ ቪድዮ ድማ ዛጊት [እዚ ጽሑፍ ክሳብ ዝተዳለወሉ እዋን] ጥራይ 1.2 ሚሊዮን ግዜ ተራእያ ’ ላ። ክሪስቶፈሬቲ፡ ኣብ ዝቕጽል ዓሰርተ ዓመታት ብዙሓት ሰባት ካብ ሃዋሁ ምድሪ ሓሊፎም ክጓዓዙ ከም ዝኽእሉ ትኣምን።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cg367gx9qy6o"} {"headline":"ስቶከርዌር፡ ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ ሰብኡት ነንስቶም ዝስልሉሉ ናይ ቴለፎን መተግበሪ","content":"ማሪያ ምስ ሓደ ናይ ካቶሊክ ስድራ እያ ዓብያ። ወትሩ ሰንበት ድራር ብሓባር ይበልዑ ነበሩ። ንሳውን ምስቲ ናይ ወለዳ ዝመሳሰል ስድራ ንምምስራት እዩ ነይሩ ድልየታ። ዝሓሰበቶ ኮይኑ ከኣ ሓዳር ጌራ። ድሕሪ ገለ እዋን ግና ኣብ ሓዳራ ሽግር ክቀላቐል ጀመረ። በዓልቤታ ከምቲ ኣቐዲማ ዝገመተቶ ክኾነላ ኣይከኣለን። መላእ ህይወታ ክቆጻጸር ይደልይ ነይሩ። ከነኣእሳ ጀሚሩ፤ ጸኒሑ ከኣ ነቲ ናይ ገንዘብ ምንቅስቓሳታ ብምልኡን ንሰለስተ ውሉዶምን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ገበሮም። ማርያ ምስ ምስ ካልኦት ሰባት ከይትራኸብን ስራሕ ከይትወፍርን ብሰብኣይ ተኸልከለት፤ ኮምፕዩተር’ውን ክትጥቀም ኣየፍቅደላን ነበረ። ማርያ ን25 ዓመታት ብኸምዚ ዝበለ ጭቆና ዘለዎ ሓዳር ጸንሐት። ህይወታ ሲኦል ኮይኑ ተሰምዓ። ካብዚ ጨቋኒ በዓልቤታ ምፍታሕ ንርእሱ ፈተና ኮይኑዋ። ሓደ መዓልቲ ግና ካብ ስድርኣ ሓገዝ ብምሕታት ሓዲጋቶ ተሰወረት። ሓድሽ ኣፍቃሪ ብምርካባ ሓድሽ ህይወት ንምጅማር ከኣ ላዕልን ታሕትን ክትብል ጀመረት። እቲ ሓድሽ ኣፍቃሪኣ ግና ብስማ ሓጺር ናይ ቴለፎን መልእኽትታት ብተደጋጋሚ ይበጽሖ ነይሩ። እንታይ’ዩ ዝኸውን ዘሎ ኢሎም ተጨነቑ። ማሪያ ነቲ መልእኽትታት ከምዘይጸሓፈቶ እያ ትገልጽ። ዝተዘራረቡሉ ጉዳያት ኩሉ እዩ መሊሱ ዝመጾም፤ ብዙሕ ክግረሙ ጀመሩ። ማሪያ ዝኣተወቶ ካፌ፡ ዝኸደቶ ቦታታትን ኩሉ ብዝርዝር ክንገራ ጀሚሩ። እቲ ናይ ቀደም ሰብኣያ፡ ኣብ ዝኸደቶ ኩሉ ክመጽእ ምጅማሩ ሕቶ ይፈጥረላ ነይሩ። ኣበየናይ ጎደና ብእግራ ትጓዓዝ ከም ዘላ እቲ ቀዳማይ ሰብኣያ እናደወለ ይነግራ ነበረ። ቃሕ ኣብ ዝበሎ ከኣ ደድሕሪ መኪናኣ እናሰዓበ ጥሩንባ እናነፍሐ የሰንብዳ። እዚ ንዕኣ ኣዝዩ ከቢድ እዋን እዩ ነይሩ።ኣብ ካልእ እዋን ኣብ ቴለፎና ንዘሎ ስእልታት ወሲዱ ይሰደላ ነበረ። ነፍሲ ወከፍ ምስጢር እትብሎ ሓበሬታ ናብ ኢዱ ይበጽሕ ነይሩ። ኣብ ከቢድ ስግኣት ኣተወት። እዚ ኩነታት ተደማሚሩ ናብ ዝለዓለ ስነኣእምሮኣዊ ቅልውላው ኣቃሊዕዋ። ነቲ ኩነታት ተረጋጊኣ ምስ ረኣየቶ እቲ ቀዳማይ ሰብኣያ ‘ስቶከርዌር’ ዝበሃል ናይ ቴለፎን መተግበሪ ከምዝጥቀም ኣስተውዓለት። ስቶከርዌር እንታይ እዩ? ነዚ ናይ ቴለፎን መተግበሪ ብብዝሒ ዝጥቀሙሉ ኣባላት ጸጥታ እዮም።ኣብዚ እዋን ግና ኣብ ኢድ ውልቀሰባት ይርአ ኣሎ። ነዚ መተግበሪ ዝጥቀም ሰብ ቁጽሪ ቴለፎን ናይ ዝከታተላ ፍቅረኛኡ ብምእታው ጥራይ መላእ ህይወታ ክቆጻጸር ይኽእል። እዚ ማለት ንእትጸሓሓፎም መልእኽትታት፣ ስእልታትን ተንቀሳቓሲ ምስልተትን ብምልኡ ክርእይ ይኽእል። እዚ ጥራሕ ግና ኣይኮነን። ኣፍቃሪቱ ኣበይ ከምዘላ ናይ ጂፒኤስ ሓበሬታ ይረክብ። ማርያ ነቲ ጸገም ክትገጥሞ ኣንቀደት። ተመሳሳሊ ጸገማት ዝገጠሞም ሰባት ብምእካብ ሓደ ማሕበር ኣቖመት። እዚ ጉጅለ ኣብዚ እዋን፡ ንመተግበሪ ስቶከርዌር ምጥቃም ገበን ንክኸውን ብሕጊ ክእገድ ይቃለስ ኣሎ። እቲ መተግበሪ ምስ ለበዳ ኮቪድ-19 ምንቅስቓሳት ድሩት ምስ ኮነ ብብዝሒ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ከም ዘሎ ሓደ መጽናዕቲ የረድእ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ነዚ ናይ ቴለፎን መተግበሪ ጉግልን ኣፕልን ካብ ማዕከኖም ክኣልይዎ ጸቕጢ ሓዪልዎም ኣሎ። ጉግል ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ኣፍቀርቲ ስለያዊ ንጥፈታት ንምክያድ ዘገልግሉ ብዙሓት መተግበሪታት ካብ ማዕከኑ ኣልዩ ኣሎ። እዞም መተግበሪታት ዝበዝሕ ግዜ ዕላማ ዝገብሩ ንወለዲ እዩ። ወለዲ ከኣ እቶም መተግበሪታት የድልይዎም እዮም። ደቆም ኣበይ ከም ዝውዕሉ ንምፍላጥ ነዞም መተግበሪታት ይጥቀሙ። እንተኾነ ግና እቶም መተግበሪታት ሰብኡት ኣብ ልዕሊ ኣንስቶም ስለያ ክፍጽሙ ዘተባብዑ ኮይኖም ኣለው። ሓደ ካብዞም መተግበሪታት ዝኾነ ስፓይፎን (SpyFone) ኣብ ኣሜሪካ ብፌደራል ኮምሽን ንግዲ ካብ ሕጊ ወጻኢ እዩ ብዝብል ተኣጊዱ ኣሎ። እቲ ምኽንያት ከኣ ብዘይ ፍቓድ ናይቶም ሰባት ሓበሬታ ንካልእ ከምዘመሓላልፍ ስለዝተፈለጠ እዩ። እንተኾነ ግና ሎሚ’ውን ሓበሬታት ዝኣርዩን ዘመሓላልፉን መተግበሪታት ኣብ ዕዳጋ መሊኦም ኣለው። እቶም መተግበሪታት፡ እቲ ሰብ ኣበይ ከምዘሎ፣ ናይ 24 ሰዓት ምንቅስቓሳቱ ናብ ካልእ ወገን ዘመሓላልፉ ብምዃኖም ልዑል ስግኣት ከምዝተፈጠረ ሰብሞያ የጠንቅቑ። ኣብዚ መዳይ ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ንጥቕዓት ተቓሊዐን ይርከባ። ቴለፎናትና ብስቶከርዌር ከምዝተጨወየ ብኸመይ ንፈልጥ? እዞም መተግበሪታት ብቴክኖሎጂ እኹል ፍልጠት ኣለዎም ንዝበሃሉ ክኢላታት’ውን ፈተንቲ እዮም። ዝተሰርሑሉ መገዲ’ውን ብቐሊሉ ክፍለጡ ዘኽእል ኣይኮነን። ሻርለት በዚ መተግበሪ ኣብ ጸገም ካብ ዝኣተዋ ደቂኣንስትዮ እያ። ሓደ እዋን ቴለፎና ዘይንቡር ባህርያት ከርእይ ከምዝጀመረ ከኣ ትዛረብ። ንኣብነት ባተሪ ቴለፎና ቀልጢፉ ይውዳእ። ቴለፎና ባዕሉ ጠፊኡ ዳግም ይውላዕ።ሽዑ’ያ ናብ ሞያውያን ምስከደት ቴለፎና ብስቶከርዌር ከምዝተጨወየ ዝፈለጠት። ነቲ ጉዳይ ናብ ኣካላት ጸጥታ እኳ እንተወሰደቶ፡ ብዙሕ ኣይተገረሙን። “ሰብኣይ ኣብ ልዕሊ ሰበይቱ ክስልይ ጸገም ከምዘይብሉ ዝሓስብ ባህሊ ከምዘሎ ሽዑ እዩ ተረዲኡኒ” ትብል። ኣብ ኢንትርነት ነዚ ኣፍቃሪትካ ናይ ምስላይ ስራሕ ከምዝሰርሑ ዝገልጹ ብዙሓት ትካላት ኣለው። ነቲ መተግበሪ ንምዕዳግ ግና ክፍሊት ብክሪፕቶካረንሲ (ዲጂታዊ ባጤራ) ይጠልቡ። መብዛሕትኦም ሓቀኛታት እኳ እንተዘይኮኑ፡ ገለ ገለ ግና ነቲ መተግበሪ ንዓማዊል ከምዘቕርቡ ተፈሊጡ ኣሎ። ንዕብየት እዚ ጸገምን ሳዕቤናቱን ኣብ ግምት ብምእታው ሕጂ ብዙሓት ሃገራት ነዞም መተግበሪታት ብሕጊ ይእግዳ ኣለዋ። ንኣብነት ፈረንሳ፡ ኣብ 2020 ዝኾነ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ዘቤታዊ ዓመጽ ዘተባብዑ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ናይ ቴለፎን መተግበሪታት ብሕጊ ዘሕትቱ ጌራ ደንጊጋ ኣላ። ነዞም መተግበሪታት ክጥቀም ዝተረኽበ ሰብ ብናይ ሓደ ዓመት ማእሰርትን 45 ሽሕ ዩሮ ገንዘባዊ መቕጻዕትን ክብየነሉ ይኽእል። ሰብ ሞያ ግና ካብዚ ንላዕሊ ስጉምቲ ክውሰድ ከምዘለዎ ይገልጹ። ብፍላይ ጉግልን ኣፕልን ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መተግበሪታት ኣብ ማእከኖም ከይጸዓኑ መምርሒ እንተዘይኣመሓላሊፎም እቲ ጸገም እናበኣሰ እምበር እናተመሓየሸ ኣይመጽእን ይብሉ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60181047"} {"headline":"ኢሎን መስክ፡ ምስ በዓልቲ ቤት መስራቲ ጉግል ፍቕራዊ ርክብ ከምዘይብሉ ገሊጹ","content":"ሃብታም ዓለምና፡ ወናኒ ተስላን ካልኦት ኩባንያታትን ኢሎን መስክ፡ ምስ በዓልቲ ቤት መስራቲ ጎግል ሰርገይ ብሪን ዝዀነት ኒኮል ሻናሃን፡ ዝዀነ ፍቕራዊ ዝምድና ከምዘይብሉ ገሊጹ። ኢሎን መስክ መልሲ ዝሃበ፡ እቲ ዕርክነት ኢሎን መስክን ሰርገይ በሪንን፡ ብሰንኪ'ቲ ኢሎን ምስ ሰይቲ ሰርገይ - ኒኮል - ግሁድ ፍቕራዊ ርክባት ብምጅማሩ ተበቲኹ'ሎ፡ ክብል ዎል ስትሪት ጆርናል ጸብጻብ ድሕሪ ምውጽኡ’ዩ። ኢሎን፡ ነቲ ኣብ ትዊተር ዝወጽአ ጸብጻብ፡ ንሱ’ውን ኣብ ትዊተር “ብፍጹም መሰረት ዘይብሉ” ዝብል መልሲ ሂብሉ። ንሱ ምስ ሰርገይ ብሪን ክሳብ ሕጂ ጥቡቕ ዕርክነት ከምዘለዎም ብምግላጽ፡ “ትማሊ’ውን ብሓደ ኢና ክንዘናጋዕ ኣምሲና” ኢሉ። ዎል ስትሪት ጆርናል፡ ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ሰባት ብምርቋሕ፡ ኢሎን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ምስ ኒኮል ሻናሃን ግሉጽ ፍቕራዊ ርከባት ምጅማሩ’ዩ ኣብ ጸብጻቡ ኣቕሪቡ። ሰርገይ ብሪን፡ ነዚ ምስ ሰምዐ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ምስ በዓልቲ ቤቱ ንኽፋታሕ ሕቶ ከምዝቕረበን ምስ ኢሎን መስክ ዝነበሮ ዕርከነት ከምዝበተኾን’ዩ ዝግለጽ። ኢሎን መስክ ግን ኣብ ትዊተር፡ “ኣብዚ ዓመት ንኒኮል ክልተ ግዜ ጥራይ እየ ርእየያ፡ ክልቲኡ ኸኣ ምስ ብዙሓት ሰባት ኣብ ዝነበርናሉ እዩ፤ ዝዀነ ፍቕራዊ ነገራት የብላን፡” ኢሉ። ኒኮል ሻናሃንን ሰርገይ ብሪንን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ብሰንኪ እዚ ዝተገለጸ ጉዳይ ከምዝተፈላለዩን፡ እንተዀነ ብሓደ ይነብሩ ከምዘለዉን ምስ ኒኮል ሻንሃን ጥቡቕ ርክብ ንዘለዋ ሰብ ጠቒሱ ዎል ስትሪት ጆርናል የመልክት። ኢሎን መስክ፡ ዎል ስትሪት ጆርናል ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ተስላን ዝቐንዐ “እዚ ኢልካ ዘይግለጽ መሰረት ኣልቦ ጸብጻብ” ምውጽኣ ቍጥዐኡ ገሊጹ። ወናኒ ተስላን ስፔስ ኤክስን ዝዀነ ኢሎን መስክ፡ ንትዊተር ብ44 ቢልዮን ዶላር ንምግዛእ ዝነበሮ መደብ ሃንደበት ብምስራዙ ኣብ ከቢድ ሕጋዊ ምጕት’ዩ ዝርከብ። ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ፡ ትካል ትዊተር፡ ኢሎን መስክ ንትዊተር ንምዕዳግ ዝኣተዎ ውዕል ይሓድጎ’ሎ ብምባል ሕጋዊ ክሲ ከምዝመስረተሉ ይዝከር። ካብ ዓለምና ቀዳማይ ሃብታም ዝዀነ ኢሎን መስክ፡ ልዕሊ 240 ቢልዮን ዶላር ከምዘለዎ ብሉምበርግ ቢልዮነርስ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ይገልጽ። ብሉምበርግ ቢልዮነርስ፡ ሰርገይ ብሪን’ውን 95 ቢልዮን ዶላር ከምዘለዎ ብምጥቃስ፡ ካብ ዓለምና ብሃብቲ ኣብ ሻሙናይ ደረጃ ከምዝስራዕ ይጠቅስ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3g108244kzo"} {"headline":"መጠነ- ሞት ህጻናት ዘጕድል ምህዞኣዊ ስራሕ ዝሰርሐ ኢትዮጵያዊ","content":"ሃብታሙ ኣባፎጊ እዩ ዝበሃል። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጂማ መምህር ባዮመዲካል ኢንጂነሪን ኰይኑ፡ መስራትን ሓላፍን ትካል ሲምቦ ኣፍሪካ ሄልዝ ኬር እዩ። ሃብታሙ ካብ ሞያ ምምህርና ንላዕሊ ስሙ ዘጸውዓሉ ዘሎ ዓውዲ፡ ምህዞ መሳርሒታት ሕክምና እዩ። በዞም ምህዞኣዊ ስርሓት ዝተፈላለዩ ሽልማታት ረኺቡ ኣሎ። ካብቶም ዝሰርሖም ዘሎ ምህዞታት ሓደ፡ መጠን ሙቐት ህጻናት ኣብ ዝድለ መጠን ብምስትኽኻል፡ ብሰንኪ ልዑል ሙቐት ክኽሰት ካብ ዝኽእል ሕማም ሃይፖተሚያ [Hypothermia] ከይጥቅዑ ዝሕግዝ መሳርሒ እዩ። ሃይፖተርሚያ፡ ኣካላትና ካብቲ ዘመንጭዎ ሙቐት ንላዕሊ ሙቐት ብቕጽበት ከጕድል እንከሎ፡ እሞ ጥዕናና ኣብ ሓደጋ ምስ ዝወድቕ ዝኽሰት እዩ። ብመሰረት ሓበሬታ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ሙቐት ሰብነት ሓደ ጥዑይ ሰብ፡ ካብ 36.5-37.5 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ክኸውን ይግባእ። ካብዚ ንታሕቲ ዝዀነ ሙቐት ሃይፖተርሚያ ተባሂሉ ይፈለጥ። ሙቐት ሰብነት ብዓቢይ መጠን እንተቐኒሱ፡ ስርዓተ መትኒታት ኣካላትናን፡ ካልኦት ዝተፈላለዩ ክፍሊ ኣካላትናን ብግእቡ ክሰርሑ ኣይክእሉን። እዚ ኵነታት እዚ ብኣጋ ግቡእ ሕክምናዊ ረዲኤት እንተዘይረኺቡ፡ ክሳብ ሞት ከብጽሕ ከም ዝኽእል ሃብታሙ ይገልጽ። እዚ ሃብታሙ ዝመሃዞ መሳርሒ፡ \"ኢንፋንት ራዲያንት ዋርመርስ\" ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ። እቲ መሳርሒ፡ ዝተፈላለየ ጥቕምታት ዝህብ ምዃኑ ሃብታሙ ይዛረብ። ብሰንኪ'ዚ ሃይፖተርሚያ፡ ኣብ ዓመት ክሳብ ኣርባዕተ ሚልዮን ዝዀኑ ህጻናት ከም ዝሞቱ ሃብታሙ ይዛረብ። ብመሰረት ሓበሬታ ትካል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት - ዩኒሰፍ'ውን፡ ኣብ ኢትዮጲያ ኣብ መዓልቲ 240 ዝዀኑ ህጻናት ከም ዝሞቱ ይግለጽ። እዚ ሓቅታት'ዚ ድማ፡ ነዛ ኢንፋንት ራዲያንት ዋርመርስ ክብል ዝሰየማ መሳርሒ ክምህዝ ከም ዝደረኾ ይዛረብ። ብዛዕባ'ዚ ከብርህ እንከሎ ሃብታሙ፡ እዛ መሳርሒ'ዚኣ ካብ ደገ ክትግዛእ እንከላ፡ ንሓንቲ መሳርሒ ክሳብ ሓሙሽተ ሽሕ ዶላር ወጻኢ ከም ዘድሊ ይዛረብ። \"ኣብ ውሽጢ ዓዲ ከነፍርያ እንተኽኢልና ግን ብሰለስተ ዕጽፊ ትጐድል፡\" ይብል። ብተወሳኺ እዛ መሳርሒ፡ እቲ ኤሌክትሮሜካኒካዊ ዲዛይና ኣብ ውሽጢ ሃገር ከም ዝተገብረ የረድእ። ሃብታሙ፡ ተማሃራይ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሆስፒታል ጥቑር እንበሳ ዝረኣዮ ትዕዝብቲ እዩ ይዝክር። ኣብኡ ኣብ ዝጸንሓሉ ግዜ፡ እተን ሂወት ንምድሓን ኣገደስቲ ዝዀና መሳርሒታት ብተደጋጋሚ ክበላሸዋ ኣስተውዒለ። \"ብቐጻሊ ክንጽግን ንውዕል ኔርና፣ ገሊአን ተመሊሰን ይበላሸዋ፣ ኣነ ድማ ነዚ ምስ ተዓዘብኩ፡ ስለምንታይ እየ ኣብ ጽገና ክንድዚ ግዜ ዘጥፍእ ኢለ ክሓስብ ጀሚረ። ካብኡ ነቒለ ድማ፡ ስለምንታይ ከ ሓድሽ መሳርሒ ሕክምና ክሰርሕ ዘይሓስብ ኢለ። ካብዚ ሓሳብ'ዚ ነቒለ እየ ድማ ናብዚ ፈጠራዊ ስራሕ ክበላሓት ተደረኺ፡\" ይብል። ብተወሳኺ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ገለ መማህራን ንስርሓቱ ዝህብዎ ዝነበሩ ምትብባዕ ሞራል ከም ዝዀኖ ይገልጽ። እዚ ይዅን ግን፡ ኣብ ፈለማ ሓሳብካ ዝቕበሎ ሰብ ክትረክ ኣጸጋሚ እዩ። \"ኣብ ከባቢኻ ብዝርከብ ነገራት ሓደ ፈጣራዊ ስራሕ ክሰርሕ እኽእል እየ፡\" ክብሎም እንከለኹ ብዙሓት ገለ ዝጠቅም መሳርሒ ክስርሕ ከም ዝኽእል ኣይኣመኑን ነይሮም። ኣነ'ውን ንባዕለይ፡ \"እዚ ሕጂ ዘውጻእክዎ መጠን ገንዘብ ዝውድእን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ነዚ መሳርሒ ንምጥቃም ክሳብ ክንድኡ ተበግሶ ከምዘየለ እንተዝፈልጥን ነይረ፡ ናብ ከምዚ ዝበለ ምህዞ ኣይምኣተኹን ነይረ፡\" ብምባል፡ ኣብቲ መስርሕ ዘጋጠምዎ ብድሆታት ይጠቅስ። ነዚ መሳርሒ ንምስራሕ፡ ካብ ዕዳጋታት ጂማ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ፡ ካብኡ ሓሊፉ'ውን ካብ ኬንያን ደቡብ ኣፍሪቃን ንብረት እናድዩ፣ እቲ ቀዳማይ ሞዴል - 'ፕሮቶታይፕ' ክሰርሖ ከም ዝኸኣለ ይዛረብ። ኣብዚ ሰዓት'ዚ፡ ዘድሊ መለክዒታት ብቕዓት ንምሕላፍ፡ ዘድሊ መስርሕ ይካየድ ከም ዘሎ ዝጠቐሰ ሃብታሙ፡ ናብ ፍርያት ንምእታው ኣብ ጽቡቕ ኣንፈትን ተስፋታንት ከም ዝተበጽሐ ይገልጽ። መሳርሒታት ጥዕና ንምጽጋን ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ ንምርካብ ኣጸጋሚ ስለዝዀነ፡ መደብና ግን፡ ኣብ 130 ኪሎ ሜትር ራድየስ ማእከል ጽገና መሳርሒታት ጥዕና ክህሉ ምግባር እዩ ይብል። ብኻልእ ወገን እዛ ማሽን፡ ንመጽናዕትን ምርምርን ዘድሊ ዳታ በይዝ ክትሕዝ ትኽእል ምዃኑ፤ ጸገም ኣብ ዝህልወሉ ኣቐዲማ መጠንቀቕታ ምልክት ስለእትህብ፡ እዛ መሳርሒ ፍሉይነት ካብ ዝህብዎ ነጥብታት ምዃኖም የረድእ። ብሓፈሻ እዛ ውጽኢት ፈጥራ ዝዀነት መሳርሒ፡ ሞት ህጻናት ብምጕዳል፡ ሸርፊ ወጻኢ ብምቝጣብ፡ ዕድል ስራሕ ብምፍጣር፡ ከምኡ ድማ ምህዞኣዊ ስርሓት ብምትብባዕ፡ ኣብ ዕብየት ቝጠባ ሃገር ናይ ገዛእ ርእሳ ኣስተዋጽኦ ኣለዋ ኢሉ ከም ዝኣምን ይገልጽ። እዛ ፕሮጀክት፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብቲ ዓቢይ ውድድር ፈጣራዊ ስራሕ ኢትዮጲያ - 'Grand challenge Ethiopia' ቀሪባ ብምዕዋት፡ ርብሕ ዝበለ ገንዘብ ተሸሊማ እያ። መሃንድሳዊ ስርሓት እዛ ማሽን፡ ዘድሊ ናይ ወረቐት ስርሓት ቅድሚ ክልተ ዓመት'ኳ እንተ ተወድአ፡ ብሰንኪ ትካላት ቍጽጽርን ሕጽረት ፋይናንስን ብዝድለ መጠን ናብ ሕብረተሰብ ክትበጽሕ ከምዘይከኣለት የረድእ። \"ኣብዚ እዋን ግን፡ ዝምልከቶም ኣካላት ዘድሊ ኣቓልቦ ሂቦምዋ ስለዘለው፡ ናብ ፍርያት ተመሊስና ኣለና፣ ንተሓከምቲ ድማ ዘድሊ ኣገልግሎት ከም እትህብ ክንገብር ኢና፡\" ብምባል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ሃብታሙ፡ ለበዳ ሕማም ኮሮና ኣብ ኢትዮጲያ ኣብ ዝተኸሰተሉ እዋን፡ \"ዩቪ ኣልትራቫዮለንት ስተራላይዘሽን' [UV ultraviolent sterilization] ዝተባህለት ማሽን ብምስራሕ'ውን፡ ኣብ ልዕሊ 50 ከተማታት ኢትዮጵያ ንዕዳጋ ከም ዘቕረበ ገሊጹ። በዚ ድማ፡ ዕድል ስራሕ ብምፍጣር፡ ኣገልግሎት ጥዕና ብምምሕያሽ ኣስተዋጽኦ ኣብ ርእሲ ምግባሩ፡ እተን ማሽናት ብልሽት ኣብ ዘጋጥመን፡ ብቕልጡፍ ኣብቲ ቦታ ብምጻሕ ጽገና ክገብር ምኽኣሉን ይዛረብ። እዚ ፈጠራዊ ስራሕ፡ ቅድሚ ሕጂ፡ \"ግራንድ ካናዳ ቻለንጅ\" ኣብ ዝብል ውድድር፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ድማ፡ \"ግራንድ ኢትዮጲያ ቻሌጅ\" ኣብ ርእሲ ምስታፉ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ኣብ ሓሙሽተ ውድድራት ከም ዝተዓወተ ይገልጽ። ኣብ መወዳእታ፡ በዚ ፈጠራዊ ስራሕ'ዚ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ዓለምለኻዊ መድረኻትን፡ ፈጠራዊ ስርሓት ቴክኖሎጂ ጥዕና ኣፍልጦ ምርካቡ ይገልጽ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61518746"} {"headline":"ጋናውያን ሰሉስ 'ቴሌፎን ዘይድወላ' መዓልቲ ኢሎም ኣዊጆም","content":"መንግስቲ ጋና ኣብታ ሃገር ዘለው ኩሎም ሲም ካርድታት ዳግም ክምዝገቡ ኣለዎም ክብል ንዘውጽኦ መምርሒ ዝተቓወሙ ጋናውያን ሰሉስ \"ቴሌፎን ዘይድወላ መዓልቲ\" ክብሉ ኣዊጆም። እቲ መምርሒ ዘይሕጋዊ'ዩ ክብሉ ድማ ይካትዑ። እቲ ነዚ መምርሒ ዝቃወም ዘሎ ጉጅለ ክሳብ ሕጂ ኣካል እቲ ምቅዋም ጻውዒት ስልኪ ሞባይል ዝኾነ ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕ ፌርማታት ብኦንላይን ኣኪቡ ኣሎ። ብኣቆጻጽራ ሰዓት እታ ሃገር ድማ ካብ ሰዓት 06፡00 ክሳብ ሰዓት 12፡00 ጋናውያን ቴሌፎን ከይድውሉን ከይቕበሉን ይጉስጉስ ኣሎ። ኣባላት እዚ ጉጅለ፡ መንግስቲ እቲ ዝጸንሐ ሕጊ ኣመሓይሹ ኣብ መመዝገቢ ማእከላት ከጋጥም ንዝኽእል ጸገማት ዝፈትሕ ምህዞ ዝተሓወሶ መገዲ ከተኣታቱ ይጠልቡ። እዚ ዳግም ምዝገባ ሲም ካርድ ገበን ንምክልኻል ብዝብል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ ዝጀመረ ኮይኑ ተጠቀምቲ መለለዪ መንነቶምን ዝርዝር ሓበሬታን ሒዞም ናብ መመዝገቢ ማእከላት ብምቕራብ ክምዝገቡ ጸኒሖም እዮም። እዚ ዘይዕውት፣ ዕግርግር ዝመልኦን ኣብ መመዝገቢ ማእከላት ነዊሕ ሪጋታት ዝተራእዮን ምንባሩ'ዮም ዝገልጹ። ኣብቲ ሽዑ ግዜ ክምዝገቡ ዘይክኣሉ ድማ፡ ቴሌፎን ክድውሉ ወይ ክቕበሉን ሓጺር መልእኽቲ ጽሑፍ ክልእኹን ኣይኽእሉን።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60284572"} {"headline":"ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ ውሉፋት ምህርቲታቶም ክንከውን ይደልዩ'ዶ?","content":"ዓሰርተ ሻብ ዶ ብዘይ ምኽንያት ሞባይልኩም ስልክኹም ትተናኽፉ? ሽዑ ንሽዑኸ ኢንተርነት ከፊትኩም ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ገጻትኩም'ዶ ትፈታትሹ? ወነንቲ ማሕበራዊ ሚድያ ነዚ ኹሉ ከምዚ ዓይነት ስምዒታትን ታህዋኽን ተሓተትቲ እዮም። ንሳቶም፡ ካብቲ ሰሪሖም ዘቕረቡዎ ቴክኖሎጂ መኽሰብ ንምርካብ ክብሉ ኣዝዮም ወስወስትን ወልፊ ዘትሕዙን ገይሮም እዮም ሰሪሖምዎም። ካብ 2019 ጀሚሩ ግና፡ ከም ፌስቡክን ጉግልን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ትካላት ቴክኖሎጂ ብዘይምኽንያት ኣብ ምትንኻፍ እነሕልፎ እዋን ብምንካይ ናብ ዋኒንና ከነተኩር ዝገብሩ መስርሓት ኣብ ምትእትታው ይርከቡ። መምህርን ኣማኻሪ ቴክኖሎጅን ኒር ኢያል፡ ትካላት ቴክኖሎጂ ዓማዊሎም ምኽንያታዊ ኣብ ዘይኮነ ምትንኻፍ ምህርቲታቶም ዘሕልፍዎ ግዜ ክንክዩ ብምግባር እንተሓጊዞምዎም ውዒሉ ሓዲሩ ንባዕሎም ተጠቀምቲ ከም ዝኾኑ ይገልጽ። ኣፍረይቲ መካይን ኣመሪካ ኣብ 1960ታት ድልየት ዓማዊሎም ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ድሕንነት መቐነት ዘለወን መካይን ሰሪሖም ናብ ዕዳጋ ከቕርቡ ጀሚሮም። ድሕሪ 19 ዓመታት ድማ ኩለን መካይን ናይ ድሕንነት መቐነት ክህልወን ዘገድድ ሕጊ ጸዲቑ። መስ ግዜ ድማ፡ ድሕንነተን ዝሓለዋ መካይን ዘፍርዩ ትካላት ዝሓሸ ዕዳጋ ክረኽቡ ክኢሎም። ብተመሳሳሊ ካብ 2018 ጀሚሮም ኣፍረይቲ ምህርቲታት ቴክኖሎጂ ናይ ባዕሎም ጥቕሚ ጥራሕ ካብ ምሕላው ወጺኦም ንዓማዊሎም ዝጠቕሙ ስጉምቲታት ተግባራዊ ምግባር ጀሚሮም እዮም። ጉግል ብዝተኣታተዎ ሓዱሽ ስርሓት ኣንድሮይድ ዓማዊሉ ኣብ ታብሌትን ስማርት ፎንን፡ ኣብ ዝጥቀሙዎም መተግበሪታት (applications) ገደብ ኣቐሚጡ እዩ። ኩባኒያ ኣፕል 'ውን ዓማዊሉ ኣብ ገጽ እቲ ምህርቲ ዘሕልፍዎ ግዜ ንምቆጽጻር ዘኽእሎ መስርሕ ኣተኣታትዩ እዩ። ብተወሳኺ ፌስቡክን ኢንስታግራምን 'ውን፡ ግዜ ንምቁጽጻርን መቐበሊ ሓበሬታ ዝግድብን መስርሕ ኣተኣታትዮም እዮም። ትካላት ቴክኖሎጂ ስጉምቲ ንምውሳድ ዝዘንግዕሉ ምኽንያት ናይ ኢኲቲ ሪሰርች ማኔጂንግ ዳይሬክተር ዝኾነ ዳኒኤል ኣይቪስ፡ ትካላት ቴክኖሎጂ ለውጢ ንምግባር ምሕሳብ ዝጀመሩ ኣብ ዙርያ ወልፊ ምጥቃም ምህርቲታት ቴክኖሎጂ ዝለዓሉ ምጉታት ብምውዕወዖም ከም ዝኾነ ይገልጽ። \"ኣብ ዝሓለፉ 12 ክሳብ 18 ኣዋርሕ፡ ኣብ ገጻት እቶም ምህርቲታት ቴክኖሎጂ ዝጠፍእ ግዜ፡ ዘለዎ ኣሉታዊ ሳዕቤን ብሰፊሑ ክውስኽ እንከሎ፡ እዚ እቶም ትካላት ቴክኖሎጂ ነቲ እናወሰኸ ዝመጽአ ጸቕጢታት ክሓስቡሉ ገይሩዎም እዩ'' ኢሉ። ብፍላይ ኣፍረይቲ ስማርት ስልኪታት ምህርታቶም ኢንተርኔት ምጥቃም ምቹኣት ስለ ዝኾና ቀንዲ ተነቀፍቲ ኮይኖም እዮም። ከም ኣብነት ኩባንያ ኣፕል፡ ብምኽንያት ኣብ ህጻናት ዝረአ ወልፊ ምጥቃም እቶም ሞባይላት፡ መፍትሒ ክፈጥር ካብ ሰብ ሃፍቲ ጻውዒት ቀሪቡሉ ነይሩ። እቲ ትካል ብወገኑ፡ ኣብ 2008 ቤተሰብ ኣይፎን ንምቁጽጻር ዘኽእል መስርሕ ዘተኣታተወ ኮይኑ ቤተሰብ ደቆም ዝጥቀሙዎም ትሕዝቶታት ክቆጻጸሩ ዘኽእሎም መስርሕ ንምፍጣር ጻዕሪ እናገበረ ከም ዝጸንሐ ይገልጽ። ኣብ ቀረባ ዝወጹ ሓበሬታታት ከም ዝሕብሩዎ፡ ልዕሊ ፍርቂ መናእሰይ ኣመሪካ፡ ናይ ሞባይል ወልፊ ኣለና ኢሎም ከምዝሓስቡ ይገልጽ። እዚ ድማ ብዙሕ ተጠቀምቲ እቶም ምህርቲታት ዘብጽሕዎ ጉድኣት ስለዝርድኡ፡ እቶም ሰብ ሃፍቲ እቲ ትካል ክጭነቑ ገይሩዎም እዩ። ብኻልእ ወገን ትካላት ማሕበራዊ ሚድያ ብናይ ምስጢር ኣሕሊፍካ ምሃብ ይሕመሳ እየን ዘለዋ። ዓበይቲ ትካላት ቴክኖሎጂ ድማ ኣብ ቁጽጽር አዐርየን ክሰርሓ ከም ዘለወን ኣይቪስ ይሕብር። ፌስቡክ ዓማዊሉ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ኣብ መርበቡ ከሕልፉ ከም ዘለዎም ኣብ ምፍላጥ ክሕግዝ ሓላፍቱ ከም ዝኾነ እንክገልጽ፡ ትዊተር ግን ኣብዚ ጉዳይ ስቕታ እዩ መሪጹ። ውጽኢት ቴክኖሎጂ ዝኾኑ ነገራት፡ ምጥቃም ከቋርጽ ኣለኒ ኢልኩም ሓሲብኩም ትፈልጡ'ዶ? ግደ ሓቂ ቁጽሪ ውጽኢታት ቴክኖሎጂ ምጥቃም፡ ከቋርጹ ዝደልዩ ሰባት እናወሰኸ እዩ። እዚ ድማ ትካላት ቴክኖሎጂ ውዒሉ ሓዲሩ ከም ዝጎድኦም ይፈልጡ እዮም። ወልፊ፡ ጉድኣት ከስዕብ ዝኽእል ቀያዳይ ባህሪ ስለዝኾነ \"እዞም ትካላት ቴክኖሎጂ ፡ናይ ምህርቲታቶም ውሉፍ ክትከውን ኣይደልዩን'' ይብል ኒር። ''ብኣንጻሩ፡ ጥዑይ ብዝኾነ ኣገባብ፡ ኩሉሻብ ተጠቃሚ ምህርቶም ክትከውን እዮም ዝደልዩኻ፡ እዚ ድማ ምህርቶም ምስ እትፈትዎ እዩ '' ክብል፡ ኒል ንቢቢሲ ሓቢሩ። መብዛሕተኦም ሰባት እንተወሓደ ኣብ መዓልቲ፡ መብዛሕቲኡ ማሕበራዊ ሚድያ ብምጥቃም፡ ንክልተ ሰዓታት ኣብ ቴሌፎኖም የሕልፉ። ገለገለ ሰባት ድማ ልዕሊ ሽዱሽተ ሰዓታት፡ ኢንተርኔት ኣብ ምጥቃም የሕልፉ። እዚ ልክዕ ዝሰኣነ ኣጠቓቐማ ድማ፡ ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ጠንቂ ጥዕና ኣእምሮ እዩ። \"ሰባት እቲ ዝገዝእዎ ንብረት ጉድኣት የብጽሐለይ እዩ፡ ኢሎም ዝሓስቡ እንተኾይኖም፡ እቲ ስራሕ ሕማቕ እዩ ማለት እዩ'' ይብል ኮምፒዩተር ሳይንቲስት ፕሮፌሰር ማት ጆንስ። ስለዚ ትካላት ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስዱ ይግባእ። እቶም ዝተወሰዱ ስጉምቲታት ባዛዕባ ኣብ ኣጠቓቐማ ኢንተርኔትን ማሕበራዊ ሚድያን ዘምጽእዎ ለውጢ ንምግምጋም ገና እኳ እንተኾነ፤ ኒር ኢያል ግን ባህሪና ክንቅይር ይግባእ በሃሊ እዩ። \"እቶም ትካላት ምህርቲታቶም ሰሓብቲ ምግባሮም ለውጢ እምበር ጸገም ኣይኮነን። ኣብ ቀረባ ጠጠው ከብልዎ ዝኽእሉ ነገር እውን ኣይኮነን።''","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-47783771"} {"headline":"ተመራመርቲ፡ ናይ ጓል 53 ዓመት ገፅ ከም ናይ ጓል 23 ዓመት ዘምስል ቴክኖሎጂ ምሂዞም","content":"ተመራመርቲ ካምብሪጅ ዩኒቨርሲቲ ናይ ጓል 53 ዓመት ቈርበት ገፅ ከም ናይ ጓል 23 ዓመት ክመስል ዘኽእል ምህዞ ሰሪሖም። እዞም ተመራመርቲ ከምዝብልዎ እዚ ፀረ እርጋን ምህዞ ንካልኦት ኣካላት ሰብነት እውን ክውዕል ይኽእል። ዕላማ እዚ መፅናዕቲ ከም ሸኮረያ፣ ሕማም ልቢን ፀገማት ነርቪን ዝኣመሰሉ ምስ ዕድመ ተተሓሒዞም ንዝመፁ ሕማማት ፍታሕ ምድላይ እዩ። ዝኣረገ ቈርበት ናይ ጉርዞ\/መንእሰይ ዘምስል እዚ ቴክኖሎጂ ቅድሚ 25 ዓመታት ዶሊ ትባሃል በጊዕ ዝፈጠረ መንእይ እዩ። መራሒ ጉጅለ ናይቲ መፅናዕቲ ፕሮፌሰር ዎልፍ ሪክ ይበሃል። ንሱ ንቢቢሲ ከምዝገለፆ፡ ሰባት ዋላ'ኳ ተአረጉ ሕማም ከይረኸቦም ጥዑያት ኮይኖም ክፀንሑ ዝሕግዝ እዩ። \"ብዛዕባ'ዚ እናሓለምና ኢና ነይርና። ብርክት ዝበሉ ሕማማት ምስ ዕድመ እናተጋደዱ እዮም ዝኸዱ፤ ስለዝኾነ ድማ ሰባት ካብ ምሽቓል ክገላገሉ ምግባር ዘሐጉስ እዩ።\" ይብል። ይኹን እምበር እቲ መፅናዕቲ ገና ኣብ ጅምር ከምዝርከብን ብዙሕ ስራሕ ከምዘድልዮን ፕሮፌሰር ዎልፍ ሪክ ይገልፅ። እዚ ርኽበት ካብ ቤተ-ፈተነ ባን ክሊኒክ ቅድሚ ምኻዱ ብዙሕ ላዕሊን ታሕቲን ከምዝሓልፍ ትፅቢት ይግበር። ኮይኑ ግና እቲ ፕሮፌሰር ናይ ቈርበት ዕድመ ቀኒሱ ምርኣይ ባዕሉ ዓብዪ ዓወት ከምዝኾነ ይኣምን። እዚ ዝተጨማደደ ቈርበት ናይ መንእሰይ ዘምስል ርኽበት ከባቢ 1990 ይካየዱ ካብዝነበሩ መፅናዕትታት ዝተመዘዘ እዩ። ሽዑ ኣብ ኤደንብራ ዝነበሩ ተመራመርቲ ዋህዮ ቈርበት ወሲዶም ናብ ዕሲ ቀይሮም ዶሊ ክብሉ ዝፀውዕዋ በጊዕ ፈጢሮም ነይሮም። እቶም ተመራመርቲ ንወዲ ሰብ ዝኸውን ኢምብሮይክ ስቴም ዝተብሃለ ዋህዮ ምፍጣር እምበር በጊዕ ወይ ሰብ ምፍጣር ኣብ ሓሳቦም ኣይነበረን። እዚ ዋህዮ ምቕያር ንዘድልዮም ኣካላት ሰብነት ዘገልግል እዩ። ዶሊ ዝተፈጠረትሉ መገዲ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናተመሓየሸ መፂኡ። ፕሮፌሰር ሪክ ዝመርሓ ጉጅለ 53 ዓመት ዕድመ ዘለዎ ቈርበት ናይ 23 ዓመት ክመስል ምግባር ዝኸኣለ እቲ መወዳእታ ቴክኖሎጂ ተጠቒሙ እዩ። \"ፈለማ መፅናዕቲ ንገብረሉ ዝነበርና ቈርበት ብ30 ዓመታት መንእሰይ ከምዝኾነ ክሰምዕ ከለኹ ስተሰምዓኒ ሓጎስ ምቁፅፃር ኣብዩኒ ነይሩ።\" ይብል እቲ ፕሮፌሰር። እቲ ምህዞ ተግባራዊ ዘይኮነሉ ምኽንያት ኣብቲ ሕዚ ዘለዎ ደረጃ ኣብ ግልጋሎት እንተውዒሉ ብካንሰር ናይምትሓዝ ዕድል ስለዝውስኸ እዩ። ኮይኑ ግና ቈርበት ኣማሓይሽካ ናይ መንእሰይ ምግባር ከምዝካኣል እንተተፈሊጡ ትሑት ጎናዊ ሳዕቤን ዘለዎ መገዲ ምድላይ ኣይኸብድን። \"ዕላማና ሰባት ዕድመኦም ክውስኽ ምግባር ኣይኮነን፤ ዝቐረየ ዕድመኦም ጥዑያት ኮይኖም ክነብሩ ምግባር እዩ። ሰባት ጥዑያት ኮይኖም ክኣርጉ ይኽእሉ እዮም።\" ይብል ፕሮፌሰር ዎልፍ። ካብዚ ሓሊፉ'ውን ሰባት ብሰንኪ ሓደጋ ቈርበቶም እንተተጎዲኡ እዚ ሓዱሽ ቴክኖሎጂ ተጠቒምካ ጥዑይ ቈርበት ክህልዎም ምግባር ይካኣል እዩ። ቀፃሊ መደብ ዝኸውን ከም ጭዋዳታት፣ ጉበትን ዋህዮ ደምን ኣብዝኣመሰሉ ኣካላት መፅናዕቲ ምክያድ እዩ። ኣብዚ ጉዳይ መፅናዕቲ ዘካይዱ ሰባት እዚ ቴክኖሎጂ ናብ ዕዳጋ ቀሪቡ ንርእየሉ ግዘ ርሑቕ ኣይኮነን ይብሉ። እዚ ምህዞ ኣካል ሰብነት ከይኣርግ ምግባር ወይድማ ዘየእርግ መድሓኒት ናብ ምፍጠር የምርሕ ይኾን'ዶ ዝብል ሕቶ ምላሽ ዝረኽበሉ ግዘ ሕዚ እዩ ይብል ፕሮፌሰር ዎልፍ ሪክ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/61020042"} {"headline":"ስለምንታይ እዮም ብዙሓት ሰባት ካብ ስማርትፎን ናብ ናይ ቀደም ቴለፎናት ዝምለሱ ዘለው?","content":"ሮቢን ዌስት - ጓል 17 ዓመት - ካብ መሓዙታ ፍልይ ዝበለት እያ፣ ዘመናዊ ሞባይል ተሌፎን (ስማርትፎን) የብላን። ግዜኣ ኣብ ቲክቶክን ኢንስታግራም ካብ ምሕላፍ ዘድሕና፡ መተግበሪታት ዘይቕበል፡ “ናይ ቀደም” ሞባይል ተሌፎን (ዳምብፎን) እያ እትጥቀም። እዚአን መሰረታዊ ንጥፈታት ንምክያድ ዘገልግላ ኮይነን ምስ ስማርትፎን ክወዳደራ እንከለዋ ኣዝዩ ድሩት ኣገልግሎት እየን ዝህባ። ተሌፎን ክትድውልን ክትቕበልን ከምኡ’ውን ሓጺር ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ (ኤስኤምኤስ) ክትልእኽን ክትቕበልን የኽእላ። ምናልባት ዕድለኛ እንተዄንካ ራድዮ ክትሰምዓለንን ስእሊ ክትወስድን ትኽእል። ኢንተርነት ከትጥቀመለንን መተግበሪታት ክተውርደለንን ግን ኣይትኽእልን። ብሓጺሩ ንናይ 1990ታት ሞባይላት እየን ዝመስላ። ሮቢን ቅድሚ ክልተ ዓመት ነታ ዝነበረታ ስማርት ፎን ክትጉሕፍ ዘገደዳ ምኽንያት ኣቐዲማ ዝሓሰበትሉ ኣይነበረን። ኣብ ናይ ሓራጅ ተሌፎናት መሸጢ ድኳን ምስከደት፡ በተን ሕሱር ዋጋ ዝነበረን ተሌፎናት ተመሰጠት። ሕጂ ትጥቀመላ ዘላ ሞባይል ተሌፎን ብ 10 ዶላር እያ ዓዲጋቶ። እታ ተሌፎን ምስ ኢንተርነት ክትራኸብ ስለዘይትኽእል’ውን ወርሓዊ ንኢንተርነት (ዳታ) እትኸፍሎ ወጻኢ የብላን። “ስማርትፎን ክሳዕ ክንደይ ንህይወተይ ተቘጻጺርዎ ከምዝነበረ ነዛ ተሌፎን ምስሓዝኩ እዩ ተረዲኡኒ” እትብል ሮቢን፡ “ብዙሕ ናይ ማሕበራዊ መተግበሪታት እየ ዝጥቀም ነይረ፡ ብዙሕ’ውን እሰርሕ ኣይነበርኩን” ኢላ። እታ ነባሪት ለንደን ወሲኻ፡ ዳግማይ ‘ስማርትፎን’ ክትዕድግ ከምዘይኮነት ትዛረብ። “[በዛ ናይ ሕጂ ተሌፎን] ሕጉስቲ እየ፣ ዝያዳ ውጽኢታዊት ኮይነ ኣለኹ” ኢላ። ጠለባት ‘ዳምብፎን’ እናዛየደ ይመጽእ ኣሎ፤ ካብ 2018 ክሳዕ 2021 ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ጉግል ብዛዕባአን ዝግበር እለሻ ብ89% ከም ዝዓበየ ጸብጻባት ይሕብሩ። ብኻልእ ወገን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዓለምለኻዊ ኣሃዛት ዕድጊ ‘ዳምብፎን’ ናብ 1 ቢልዮን ከም ዝበጽሐ ካልእ ጸብጻብ ይነግር። ኣብ 2019 እቲ ኣሃዝ 400 ሚልዮን እዩ ነይሩ። ብኣንጻሩ፡ ብዝሒ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተሸጣ ‘ስማርትፎን’ 1.4 ቢልዮን ክኸውን እንከሎ እዚ ካብ ናይ 2020 ብ 12.5% ጎዲሉ። ኣብ ብሪጣንያ ዝተኻየደ ሓደ መጽናዕቲ ከምዘርእዮ፡ ካብ 10 ተጠቀምቲ ሞባይል ተሌፎን ሓደ፡ ‘ዳምብፎን’ ኣለዎ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ 'ኡስዊች.ኮም' ክኢላ ሞባይል ቴለፎናት ዝኾነ ኤርነስት ዶኩ፡ \"ኣብ ቲክቶክ ዝረኣዩ ቪድዮታት ኣብ ትንሳኤ ምጥቃም ዳምብፎን ልዑል ተራ\" ከምዘለዎም ይነግር። ንሱ ወሲኹ፡ እዘን መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥራይ ዝህባ ተሌፎናት ምስተን ብኣፕልን ሳምሰንግን ዝስርሓ ሞዴላት ስማርትፎን ዘይወዳደራ’ኳ እንተኾና፡ “ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣብ ዝኾነ መዳያት፣ ዕድመ ባተርን ተጻዋርነትን በሊጸን ከምዝረኣያ” የረድእ። ምሁር ስነልቦና ፕረዝመክ ኦለጅኒዛክ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት እዩ ካብ ስማርትፎን ናብ ኖክያ 3310 እትበሃል ሞዴል መሰረታዊ ኣገልግሎት እትህብ ተሌፎን ቀይሩ። ንሱ ከምኡ ዝገበረሉ ምኽንያት ነዊሕ ዝጸንሕ ባተሪ ስለዘለዋ’ኳ እንተነበረ፡ ካልእ ብዙሕ ጥቕምታት ከምዘለዋ ድሒሩ እዩ ተረዲኡ። “ኣብ ተሌፎነይ ኣብ ፈይስቡክን ዜናታትን ዝመጸኒ ኵሉ ብምርኣይ ብዙሕ ግዜ እየ ዘጥፍእ ነይረ። “ሕጂ ምስ ስድራቤተይን ምስ ገዛእርእሰይን ዝያዳ ግዜ አጥፍእ። ቀንዲ ከኣ ካብ ወልፊ ላይክ፡ ሼር፡ ኮመንትን ብዛዕባ ህይወተይ ንኻልኦት ካብ ምግላጽን ድሒነ ዝያዳ ብሕትና ኣሎኒ፡” ኢሉ። እንተኾነ እቲ ምስግጋር በዳሂ ከም ዝነበረ እቲ ነባሪ ከተማ ሎድዝ - ፖላንድ ይገልጽ። “ቀደም [ኣብ ዝገሸሉ እዋን] መዕረፊ ኣውቶቡስ፡ ኣብያተ መግቢ ንምርካብ ተሌፎነይ እየ ዝፍትሽ ነይረ። ሕጂ ግን ከምኡ ዝበሃል የለን። ስለዚ ቅድሚ ምብጋሰይ ዘድልዩኒ ነገራት ኣብ ገዛ እንከለኹ ምጽፋፍ ተማሂረ ኣለኹ፡” ኢሉ። ‘ላይት ፎንስ’ ሓደ ካብ ኣፍረይቲ ‘ዳምብፎናት’ እዩ። እተን ፍርያቱ ካብ ካልኦት ከምአን ዝኣመሰላ ተሌፎናት ዝያዳ ንጥፈታት ከተካይደለን እትኽእል ብሉቱዝን ሄድፎንን ዝቕበላ፣ ከም ሙዚቃን ፖድካስትን ምስማዕ ዘኽእላን እየን። እንተኾነ፡ “ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ናይ ዜና መወዓውዒ፡ ኢመይልን ኢንተርነት መፈተሽን ዝኣመሰሉ ነገራት ፈጺሙ ክገብረለን” ከምዘይኮነ ይገልጽ። በዚ ትካል ዝፈርያ ተሌፎናት ምሰተን ካልኦት ብምዝማድ ክብር ዝበላ (99 ዶላር) እኳ እንተኾና፡ ናይ 2021 መሸጣ ፍርያቱ ምስ ናይ 2020 ብምውድዳር ብ 150% ከም ዝወሰኸ ጸብጻባቱ የመልክት። ተሓጋጋዚ መስራቲ ‘ላይትፎን’ ካይወይ ታንግ ከምዝሕብሮ፡ መበገሲ ዕላማ እቲ ትካል እተን ተሌፎናት ዝተሰርሓ ነቶም ስማርትፎን ዝጥቀሙ፡ ግን ካብ ተሌፎናቶም ንኣብነት ኣብ ቀዳመ ሰንበት ዕረፍቲ ንዝደልዩ ሰባት ከም ካልኣይ ተሌፎን ኮይነን ንኸገልግላ እዩ ነይሩ። ኣብዚ እዋን ግን ፍርቂ ካብ ዓማዊል እቲ ትካል ከም ቀዳማይ ተሌፎናቶም እዮም ዝጥቀሙለን። “ስማርትፎን ንደቂ ሰባት ተቘጻጺሩ ኣሎ፤ እዚ ከኣ እናበኣሰ እምበር እናተመሓየሸ ኣይኮነን ዝኸይድ። ዓማዊል ገለ ሽግር ከም ዘሎ የለልዩ ኣለው፣ ንሕና ከኣ ኣማራጺ ክንቅርበሎም ኢና እንደሊ” ይብል ሚስተር ታንግ። እቲ ዘገርም፡ ቀንዲ ዓማዊል እቲ ትካል ካብ 25-35 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ምዃኖም’ውን የረድእ። ብመሰረት ሓበሬታ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ በዓልቲ ሞያ ቴክኖሎጂ ዝኾነት ሳንድራ ዎቸር፡ ገለ ሰባት ሚዛነን ፎኲስ ዝኾና ተሌፎናት ስለዝደልዩ ነተን መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥራይ ዝህባ ተሌፎናት ከም ዝመርጹ ትዛረብ። “ኣብዚ እዋን ስማርትፎን መዘናግዒ፡ ምንጪ ሓበሬታ፡ ካርታ፡ መዘክር፡ መዝገበ ቃላትን ማሕፉዳን እዩ፡” ብምባል ከኣ ተረድእ። ስማርትፎን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዳያት ህይወት ጣልቃ ምእታው ዝርብሾም ሰባት፡ ናብተን ቀዳሞት ተንቀሳቐስቲ ተሌፎናት ይምለሱ ኣለው። “ዳምብፎን ዝሕዝ ሰብ ቴለፎኑ ነቲ ዘድልዮ መዓላ ጥራሕ እዩ ዝጥቀመላ። ካብ ተሌፎኑ ወጻኢ ኣብ ካልእ ነገራት ከተኩር’ውን ግዜ ይረክብ። ስማርትፎን ዝህበና ዘይተገደበ ኣማራጺ ንሓጐስ ሰባት ዝሰርቕን ዝርብሽን እዩ” ትብል ሳንድራ። ብዙሕት ሰባት ንሮቢን፡ መዓስ ኢኺ ናብ ስማርትፎን እትምለሲ እናበሉ ይሓትዋ። ንሳ ግን ናብ ስማርትፎን ናይ ምምላስ ድሌት ፍጹም የብላን።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61077363"} {"headline":"ጸረ-5ጂ ተባሂሉ ኣብ ዕዳጋ ዝተዘርግሐ ስልማት ክሳድ ጸርገ-ንጡፍ ኮይኑ ተረኺቡ","content":"ንሰባት ካብ 5ጂ (ሓሙሻይ ወለዶ መርበብ ሞባይል ቴለፎን) ይከላኸል እዩ ብዝብል ኣብ ዕደጋታት ዝተዘርሐ ናይ ክሳድን ስልማት ጸርገ-ንጡፍ ኮይኑ ተረኺቡ። በዓልመዚ ኒኩለራዊ ድሕነትን ምክልኻል ጸርግን ሆላንድ (ኤኤንቪኤስ) ሓደገኛ ጸርግታት ዝነዝዑ ከባቢ ዓሰርተ ዝኾኑ ፍርያት ከም ዝረኸበ ኣፍሊጡ። ህዝቢ ነቶም ኣብ ነዊሕ እዋን ሳዕቤናት ዘኸትሉ ፍርያት ከይጥቀመሎም'ውን ተላብዩ። መርበብ ቴለፎን 5ጂ ንጥዕና ሓደገኛ ብዛዕባ ምዃኑ ብጭብጢ ኣይተረጋገጸን። ውድብ ጥዕና ዓለም፡ መርበባት 5ጂ ውሑስ ምዃኖምን ብቐንዱ ካብቶም ኣብ ኣገልግሎት ዝርከቡ 3ጂ ከምኡ'ውን 4ጂ ዝፍለዩ ከምዘይኮኑን እዩ ዝገልጽ። መርበባት ሞባይል፡ 'ኣዮናይዝ' ዘይገብሩ ማዕበላት ሬድዮ ኮይኖም ኣብ ዲኤንኤ ጉድኣት ኣየብጽሑን እዮም። እንተኾነ ግና ሓደገኛታት ምዃኖም ዝኣምኑ ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ልዕሊ 'ትራንስሚተራት' መጥቃዕትታት ፈጺሞም እዮም። ገለ ካብ'ቶም ዝተለለዩ ፍርያት ናይ 'ኤነርጂ ኣርመር' ኣብ እዋን ድቃስ ዝዝውተር መሸፈኒ ዓይኒ፡ በናጅርን ናይ ክሳድ ስልማትን ይርከቡዎም። ብማግኔቲክስ ዌልነስ ዝፍለጥ ናይ ቆልዑ በናጅር'ውን ጸርጊ ዝነዝዕ ኮይኑ'ዩ ተረኺቡ። ኤኤንቪኤስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ \"ካብ ሕጂ ንደሓር ኣይትውደይዎም፤ ብኸመይ ከምእትመልስዎም መምርሒ ክሳዕ ዝወሃበኩም ኣብ ውሑስ ቦታ ኣቐምጥዎ\" ይብል። እቶም ኣብታ ሃገር ኣብ መሸጣ እቶም ፍርያት ዝተዋፈሩ ትካላት'ውን ብህጹጽ ደው ከብልዎን ንዓማዊሎም ብዛዕባ እዚ ክሕብሩን ኣዚዙ። ናይ ሽርሒ ክልሰ-ሓሳባት፡ ጥቕሚ ዘይብሎም ጸረ-5ጂ ፍርያታት ናብ ዕዳጋታት ክውሕዙ ደገ ከፊቶም እዮም። ኣብ ግንቦት 2020 ቤትጽሕፈት ምቁጽጻር ብቕዓት መሸጣታት ብሪጣንያ ብልዕሊ 450 ዶላር ክሽየጥ ዝተቐረበ ካብ 5ጂ \"ዝከላኸል\" ምዃኑ ዝተነግረሉ ፍላሽ ዲስክ ከይሽየጥ ንምእጋድ ተንቀሳቒሱ ነይሩ። \"ንጸርጊ ዝከላኸሉ\" ምዃኖም ዝተገለጸ ልጣፋት ኣብ ዓቢይ ናይ ኢንተርነት ዕዳጋ ኣማዞን'ውን ይሽየጡ እዮም። ኤኤንቪኤስ ዝርዝር እቶም ጸርገ-ንጡፍ ኮይኖም ዝረኸቦም ፍርያት ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣስፊርዎም ኣሎ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59879370"} {"headline":"ካብ ጉግል ዝተኣለየት ተመራማሪት ሰብ-ሰርሖ ፍልጠት ትምኒት ገብሩ ‘ደይር’ ዝበሃል ናታ ትካል ኣበጊሳ","content":"ኣብ “ጉግል” ከም ተመራማሪት እናሰርሐት ክትጾሮ ዘይከኣለት ብደሆ ኣጋጢሙዋ ካብቲ ትካል ዝተኣልየት ዶክተር ትምኒት ገብሩ፡ ኣብ ዓመታ፡ ነቲ ዘጋጠማ ጸገማት ንምብዳህ እነሆ ሕጂ ብኣሕጽሮት “ደይር” ተባሂሉ ዝጽዋዕ Distributed Artificial Intelligence Research Institute (DAIR) ናይ ምርምር ትካል መስሪታ ክትነጥፍ ከምዝጀመረት ንቢቢሲ ሓቢራ። ትምኒት ገብሩ ብሰብ-ሰርሖ ፍልጠት (Artificial Intelligence) ዓሚቚ ኣፍልጦ ዘለዋ ኣብ ቅድሚት እትስራዕ ሳይንቲስት ኢያ። ኣርተፊሻል ብልሒ (AI) ብነዊሕ ሳይንሳዊ ምርምር ዝማዕበለ፡ ደቂ ሰባት ንዝሰርሑዎ ንቡር ንጥፈታት ተኪኡ ዝሰርሕ ብሳይንሳዊ ቅማረ እተሃንጸ ዝተፈላለየ ዕዮታት ዘሳልጥ ማሺን እዩ። ብሓጺሩ እዚ (ብኣሕጽሮ ብ ‘ኤ-ኣይ’ ዝፍለጥ) ሰብ-ሰርሖ ፍልጠት ንንጥፈታት ሰባት ዝትክእ ስርዒት (ሲስተም) እዩ። እቶም ከም በዓል ጉግል ኰኑ ካልኦት ዓበይቲ ናይ ሶሻል ሚድያ ትካላት ዝምህዝዎ ዘለዉ ናይ “ኤ-ኣይ” ምዕባለታት ኵሉ-ሓቈፍ ስለ ዘይኰነ፡ እዚ ማለት ንዉሑዳን ክፋላት ሕብረተሰብ - ምናዳ ንጸለምቲ - ኣብ ግምት ኣእትዩ ስለ ዘይተማህዘ ጕድኣት ከስዕብ’ዩ ካብ ዚብል ኣምር ተበጊሱ’ዩ “ደይር” ዝምጕትን ዝጕስጕስን። ትምኒት ኣብ “ጉግል” ገጽ-ሰብ ዜለሊ ቴክኖሎጂ እተማዕብለሉ ዝነበረት እዋን፡ እቲ መስርሕ-መለለዮ-ገጽ-ሰብ ኣብ ጸለምትን ጸዓዱን ብግቡእ ኣይሰርሕን ኔሩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እቲ ምህዞ ኤ-ኣይ ገጽ ጸዓዱን ገጽ ጸለምትን ክስእል ይሕንኰል ስለዝነበረ፡ እቲ ናይ ቴክኖሎጂ ምዕባሌ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዝፈጠሮ ሌላን-ጕሌላን ብምትኳር ዝከኣላ መጽናዕቲ ኣካይዳ። ካብኡ ብምብጋስ ከኣ ከም ኣማዞን ዝኣመሰለ ትካል ኣብ መስርሖም ዝግባእ ምትዕርራያት ከተኣታትው በቒዖም’ዮም። “[ኣብ ጉግል እናሰራሕኩ] ኣብ ልዕሊ ቋንቋታት ዘሎ ኣድልዎ የዛርበኒ ነይሩ። ሕጂ ከኣ ኣብቲ ዝዓበኹሉ ሃገር (ኢትዮጵያ) ብፈይስ-ቡክ ዝፍጸም ዘሎ ዓሌታዊ ምፍሕፋሕን መርዛምነቱን እዕዘብ ኣሎኹ” ትብል። ትምኒት፡ ብጌጋታት ኤይ-ኣይ ዝግዳዕ ማሕበረሰብ ክህሉ ኣይግባእን። ኩሉ ብማዕረ ተጠቃማይ ክኸውን’ዩ ዝግባእ ብምባል ትምጕት። እዚ ኣበጊሳቶ ዘላ ትካል ከኣ ንከምዚ ዝኣመሰለ ሃጓፋትን ንዝተዋሰኑ ጉጅለታትን ብኸመይ ክጸልዎም ከምዝኽእል ሓበሬታ ዝእክብ ትካል ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ዋሺንግተን-ፖስት ዝተባህለ ዓብን ፍሉጥን ጋዜጣ ሕ.መ.ኣ. ብ2 ታሕሳስ 2021 ብዛዓባ’ዚ ትምኒት ኣቢጊሳቶ ዘላ ትካል ሓደ ነዊሕ ሓተታ ኣቕሪቡ ነይሩ። እቲ ሓተታ፡ ትምኒት ኣብቲ ዓውዲ መጽናዕቲ (ኤ-ኣይ) መሪሕ ተራ እትጻወት ዘላ ተመራማሪት ምዃና ብምጥቃስ፡ እቲ ብኤ-ኣይ ዝዋደድ መስርሓት ምስ ጸዓዱ ብምንጽጻር፡ ንጸለምቲ ብሰንኪ ግቡእ ምርምርን መጽናዕትን ዘይግብኦም ሳዕቤናት ከኸትለሎም ስለዝኽእል፡ ትምኒት ነቲ ሃጓፍ ክትመልኦ ነቲ ዕዮ ተገዲሳ ሒዛቶ ከምዘላ ይገልጽ። እቲ ሓተታ ብምቕጻል፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ትምኒት ኣብ ዝተሳተፈትሉ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ጉግል ኣብ ልዕሊ ቋንቋታት (ባዕዲ) ዜካይዶ ዝነበረ ምርምር ሃጓፍ ስለ ዝነበሮ፡ ትምኒት ድማ ነቲ መስርሕ ከም ዝተቓወመቶ ብምጥቃስ ምስ ሓለፍታ ኣብ ክርክር ከምዝኣተወትን ብሳዕቤኑ ድማ ካብ ስርሓ ከምእተኣልየትን ይጠቅስ። “ብቐደሙ ጉግል ንትምኒት ክቘጽራ እንከሎ ኣብቲ ስርሓቶም ቄናን መስርሕ ንከይተኣታቶን፡ እንተነይሩ ከኣ ብመጽናዕቲ ኣሰንያ ንኸተተዓራርዮ ብዚብል ዉዕል’ያ ስርሓ ጀሚራ። እንተዀነ ግን [መጽናዕቲ ብምክያድ] ሓደ ጌጋ ምስ ሓበረት’ያ ካብ ስርሓ ተኣልያ” ይብል እቲ ሓተታ። ነዚ ሕጂ ተታሒዛቶ ዘላ ስራሕ ዝድግፉ ዓበይቲ ዘይመንግስታውያን ትካላት ከኣ ናይ $3.7 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከም ዝገበሩላ ተገሊጹ ኣሎ። ትምኒት፡ እቲ እተካይዶ መጽናዕቲ ምስ ካልኦት ናይ ብሕቲ ትካላት ብምትሕብባር ነቶም ከም በዓል ጉግል ዝኣመሰሉ ግዙፋት ትካላት ብደገ ዝከኣል ዓይነታዊ ጽልዋ ክትገብረሎም ከም እትኽእል ትዛረብ። ብግዳም ዝስርሑ፡ ወይ ከኣ ካብ ግዳም ዝመጽኡ ብቑዓት መጽናዕትታት ኣብ ግምት ብምእታው ለውጥታት ክተኣታቶ ከምዝከኣል ብምእማን ነቲ ናይ ግዳም ጸቕጢ ብስልታዊ ጥበብ ከምእትኣልዮ ትዛረብ። ቅድሚ ሕጂ እውን ንግዳማዊ ጸቕጢ ከምዝተጠቕመትሉን ከምዝሰርሐን ብምግላጽ፡ ንጕዳያት ኤይ-ኣይ ብቐረባ ዝከታተሉን ዝቈጻጸሩን ምሁራት (ኣካደምያውያን)ን ከምኡ’ውን ጋዜጠኛታትን ዜቕረቡዎም ጽሑፋት ምሕቋፍ ተሰማዕነት ከም ዝፈጥር ትሕብር። “ሓድሓደ እዋን ኣብ ዉሽጢ ኴንካ ብዛዕባ ኣድልዎ፡ ፍትሓውነት፡ ሓላፍነት ካብ ምዝራብ እቲ ኣብ ግዳም ዝቐርቡ ክትዓትን መርትዖታትን ከተቕርብ ይሰልጥ” ትብል። ኰይኑ ድማ ብግዳም ዝከኣላ ጸቕጢ ክትገብር ምዃና ትገልጽ። ትምኒት ን“ስነ-ምግባራውነት ኤ-ኣይ” ወይከኣ “ሓላፍነታውን ፍትሓውን ምቕረሓ ኤ-ኣይ” ብዝምልከት እያ ምስ ቢቢሲ ተዛሪባ። ብኣርተፊሻል ብልሒ ኤ-ኣይ ንገሊኡ ክፋል ሕብረተሰብ ክትጠቕሞ ንገሊኡ ድማ ከተዋስኖ ስለዘይግባእ ተመሳሳሊ ርእይቶን ሓሳብን ምስ ዘለዎም ሳይንቲስት ነቲ ሃጓፍ ንምምላእን ንምሕዋይን ሓያል ስራሕ ይጽበያ ከምዘሎ ትኣምን። ትምኒት እቲ ዘጽንዓቶ ዓውዲ፡ ኣርተፊሻል ብልሒ “ኤ-ኣይ” ንህዝቢ ኣብ ዝጠቅምን ዘርብሕን መዳያት ልምዓት ኣብ ክንዲ ዝውዕል፡ ብከም ድሮን ዝኣመለሰ ዝተመስረሐ ብልሒ፡ ንኵናትን ዕንወትን ክውዕል ምስ ረኣየት ከምዝሰንበደት ንቪኦኤ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ትገልጽ። “ኣርተፊሻል እንተሊጄንስ ምስራሕ እንተ ጀመርና ካብ እቲ እነፍርዮ ነገር እንታይ ዓይነት ሳዕቤን ከኸትል ከምዝኽእል ክንሓስብ ኣሎና” ብማለት ኣብ መደምደምታ እቲ ንሊቅነት ዘቕረበቶ ጽሑፍ ከምዘስፈረት ሓቢራ። ንኣብነት ትብል ትምኒት፡ ኣብ ቻይና በቲ መልክዕ ሰብ ዘለሊ ኣርተፊሻል ብልሒ እቲ ስርዓት ነቶም ክሃድኖም ዝደሊ ሰባት ኣኣብ ዝኣተውዎ ቦታ ከምዝከታተሎም ብምሕባር እቲ ምህዞ ንነጻነት ሰባት ዝጻረር ክኸውን ከምዘይግባእ እውን ተረድእ። ኣብ ኣርተፊሻል ብልሒ ኣብ ምትርጓም ቋንቋ ንዘጋጥም ጸገም ከተረድእ እንከላ ከኣ፡ ንኣብነት ሓደ ሰብ ብቛንቋ ዓረብ “ከመይ ሓዲርኩም” ክብል ንዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ እቲ ማሺን “ኣጥቅዑ” ክብል ስለዝተርጎሞ፡ ፖሊስ፡ ነቲ ኦሪጂናል ጽሑፍ ከይረኣዩ፡ ተቐዳዲሞም ነቲ ሰብ ከምዝሓዙዎ ዳሕራይ ግን ኣጻርዮም ከምዝፈትሐዑዎ ምስ ቪኦኤ ኣብ ዝገበረቶ ዝርርብ ሓቢራ። “ንቴክኖሎጂ ንሰርሕን ንቆጻጸሩን ሰባት ስለዝኾንና ሓደጋታቱ ንምንካይ ከኣ ተጊህና ብምስራሕ ነቲ ንዓና ዝሕግዘና ቴክኖሎጂ ክንሰርሕ ንኽእል ኢና። ከምቲ ኣብ ሓደ እዋን ሰባት ጉድኣትን ሃስያን ሊድን ኣስቤስቶስን ተረዲኦም ካብ ኣገልግሎት ከምዝእለ ዝገበሩዎ፡ ሕጂ እውን ነቲ ሃሳይ መዳይ ቴክኖሎጂ ተረዲእና ከነወግዶ ክንጽዕር ኣሎና” ክትብል ትመክር። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትነብር ኣብ 1983 ካብ ኤርትራውያን ስድራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተወልደት ዶክተር ትምኒት ገብሩ፡ ብዘካየደቶ ምርምር፡ እቲ ብዕደና-ዳታ ወይ ከኣ ብሰብ-ሰርሖ ፍልጠት ኣቢሉ ዝተኣታቶ ኵትሞታት (ሞዴላት) ጸገማት ከም ዘሎዎ ድሕሪ ምቅልዓ ምስ እትሰርሓሉ ትካል ጉግል ዘጋጠመ ጸገማት ብኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና ምስ ተወዓወዐ ኣህጕራዊ ዝና ዝረኸበት ስነ ፍልጠተኛ'ያ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59530648"} {"headline":"ጥዕና፡ ጀነቲካዊ ምምሕያሽ ዝተገበረላ ልቢ ሓሰማ ዝተገጠመትሉ ናይ መጀመርታ ሰብ","content":"ሓደ ኣሜሪካዊ ጀነቲካዊ ምምሕያሽ ዝተገበረላ ልቢ ሓሰማ ዝተገጠመትሉ ናይ መጀመርታ ሰብ ኮይኑ። ወዲ 57 ኣሜሪካዊ ዴቪድ ቤኔት እታ ዝተመሓየሸት ልቢ ሓሰማ፡ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት'ያ ሸውዓተ ሰዓታት ብዝወሰደ መጥባሕቲ ተገጢማትሉ፤ ኣብዚ እዋን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ኸም ዘሎ ኸኣ ሓካይሙ ሓቢሮም። እቲ መጥባሕቲ ህይወት ዴቪድ ንምድሓን ዝነበረ እንኮ ኣማራጺ ኮይኑ፡ እታ ልቢ ንኽንደይ እዋን ከተካይዶ ከምእትኽእል ግን ብሕጂ ዘገም ኢልካ ዝርአ ከምዝኾነ'ዩ ተገሊጹ ዘሎ። ዴቪድ ቤኔት ቅድሚ መጥባሕቱ \"ክልተ ኣማራጺ እየን ዘለዋ ወይ ሞት ወይ ነዛ ካብ ሓሰማ ተወሲዳ ጀነቲካዊ ምምሕያሽ ዝተገበረላ ልቢ ምቕባል\" ኢሉ ነይሩ። ብምስዓብ \"ኣብ ጸላም ኮንካ ብሃውሪ ከምምትኳስ'ዩ ግን ካልእ ኣማራጺ የለን\" ኢሉ። እቲ መጥባሕቲ ኣብ ዩኒቨርስረቲ ሜሪላንድ ዝርከቡ ደኳትር'ዮም ኣካይዶምዎ፡ ክፍሊ ሕክምናዊ ምቁጽጻር ኣሜሪካ፡ ንዴቪድ ዝነበሮ ኣማራጺ ሞት ወይ መጥባሕቲ ከካይድ ስለዝነበረ ኸኣ ክፈቕደሎም ክኢሉ። ዴቪድ፡ ኣቐዲሙ ናይ ሰብ ልቢ ክሰጋገረሉ'ኳ ብኣጋ ሓቲቱ እንተነበረ፡ ኩነታት ጥዕንኡ ርእዮም ዶኳተር ኣይፈቐድሉን። እቶም ነቲ መጥባሕቲ ዘካየዱ ሓካይም፡ እቲ መስርሕ ጀነቲካዊ ምምሕያሽ ልቢ ሓሰማ፡ ዓመታት ዝወሰደ መጽናዕቲ ከምዝተኻየደሉ ብምሕባር፡ ውጽኢት መጥባሕቲ ዴቪድ፡ ኣብ ታሪኽ ሕክምና ልቢ ተስፋ ዘስንቕ ምዃኑ ገሊጾም። ክኢላ መጥባሕቲ ባርትለይ ግሪፍዝ፡ እቲ መጥባሕቲ \"ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ሕጽርት ኣካላት ወዲ ሰብ ንምፍታሕ ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት ዝወስድ ውጽኢት'ዩ\" ኢሉ። ዩኒቨርስቲ መሪላንድ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ'ውን፡ ኣብ ኣሜሪካ መዓልታዊ 17 ሰባት ልቢ ንክቕየረሎም ኣብ ምጽባይ እንከለዉ ከምዝሞቱ ብምሕባር፡ ብሓፈሻ ኣብ ኣሜሪካ ልዕሊ 100 ሸሕ ሰባት ልቦም ንኽትቅየረሎም ኣብ ትጽቢት ከምዝርከቡ ኣብሪሁ። ኣካላት ናይ እንስሳ ኣማሓይሽካ በቲ 'ዜኖትራንስፓላንቴሽን' ዝብሃል ኣገባብ ኣብ ሰብ ከምዝገጥም ናይ ምግባር ሓሳብ ነዊሕ ክጽዓረሉ ከምዝጸንሐ'ዩ ዝግለጽ። ኣቐዲሙ፡ ካብ ልቢ ሓሰማ ዝተወሰደ ሻምብቖታት ደም ኣብ ሰብ ክትከል ጸኒሑ እዩ። ኣብ ጥቅምቲ 2021 ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከቡ ሓካይም ናይ ሓሰማ ኩሊት ኣብ ሰብ ብምትካል ምስግጋር ኣካላት ከምዘካየዱ ዝዝከር ኮይኑ፡ እንተኾነ፡ እቲ ናይ ሓሸማ ኵሊት ዝተተኸለሉa ውልቀ ሰብ ሓንጎሉ ምስራሕ ስለዘቋረጸ፡ እቲ መጥባሕቲ ከምቲ ትጽቢት ዝተገበረሉ ክኸውን ኣይክኣለን። ዴቪድ ግን እቲ መጥባሕቲ ካብቲ ብሓገዝ ማሽን ዘስተንፍሶ ዝነበረ ክገላግሎ'ዩ ትጽቢት ኣሕዲሩ ዘሎ። ዴቪድ ካብ ትማሊ ሰኑይ ጀሚሩ ብዘይዝኾነ ናይ ማሽን ሓገዝ ከተንፍስን ልቡ ንቡር ትርግታ ከተስምዕን ጀሚራ ኣላ፡ ክሳብ ናብ ዘተኣማምን ደረጃ ዝብጽሕ ግን ኣብ ሕክምና ክጸንሕ ምዃኑ'ዩ ተነጊርዎ ዘሎ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59948236"} {"headline":"ዓበይቲ ትካላት ቴለኮም ኣሜሪካ ምዝርጋሕ 5ጂ ከደንጉይኦ ተሰማሚዐን","content":"ክልተ ካብ ዝዓበያ ትካላት ቴለኮም ኣሜሪካ ብመንግስቲ ንዝቐረበ ጠለብ ምድንጓይ ዝርግሐ ኣገልግሎት 5ጂ (ሓሙሻይ ወለዶ ስልኪ ኣልቦ ኣገልግሎት) ከምዝተሰማምዓ ተገሊጹ። ጸሓፊ ክፍሊ መጉዓዝያ ኣሜሪካ ፔተ ባቲጌግን ምምሕዳር ኣቭየሽን ኣሜሪካን (ኤፍኤኤ) ምስ ድሕነት በረራታት ብዝተሓሓዝ እዮም ነቲ ጠለብ ኣቕሪቦም። ነፈርቲ ዘፍርዩ ትካላት፡ እቲ ሲ-ባንድ ስፐክትረም ዝጥቀም ናይ 5ጂ ስልኪ ኣልቦ ኣገልግሎት ኢንተርነት ምስ ተኣፋፍቲ ኤለክትሮኒካዊ ኣቕሑት-ነፋሪት ክጋጮን ንበረራ ክርብሽን ከምዝኽእል ኣጠንቖም እዮም። ኣብ ፈለማ ኤቲንቲን (AT&T) ከምኡ'ውን ቨሪዞን ነቲ ጠለብ ነጺጎምዎ ነይሮም። ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሮም ነቲ ውጥን ኣወንዚፎምዎ ከምዝጸንሑ ዝገልጹ ዋና ኣካየድቲ ስራሕ ብሰንበት ነዚ ካልኣይ ምድንጓይ ተቓዊሞምዎ ነይሮም። ንሳቶም ከምቲ ኣብ ፈረንሳ ዝተገብረ ኣብ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ነቲ ኣገልግሎት ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ከዝሕልዎ'ውን ኣሚሞም። ኢንዱስትሪ መጉዓዝያ ኣየርን ኤፍኤኤን 5ጂ ከም ራድዮን ናይ ብራኸ መዓቀኒታነን ምስዝኣመሰሉ ኣቕሑት ነፋሪት ጣልቃ ይኣቱ እዩ ብዝብል እዮም ዕቃበታቶም ገሊጾም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓለፍቲ ናይቶም ኣብ ዓለም ዝዓበዩ ክልተ ትካላት ምፍራይ ነፈርቲ ኤየርባስን ቦይንግን ናብ ሚኒስተር መጉዓዝያ ኣሜሪካ ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ጥርዓን ደብዳበ \"ናይ 5ጂ ጣልቃ ምእታው ኣብ ውሕስነት ነፈርቲ ከቢድ ጽልዋ ክህልዎ ከምዝኽእል\" ሓቢሮም። እቲ ደብዳበ ብጉጅለ 'ኤየርላይንስ ፎር ኣሜሪካ' ንዝተገብረ ጸብጻብ ብምጥቃስ፡ ኤፍኤኤ ኣብ 2019 ን5ጂ ኣፍቂዱ እንተዝኸውን ኣስታት 345 ሽሕ ናይ ገያሾ በረራታትን 5400 ናይ ጽዕነት በረራታትን ንምድንጓያት፡ መስመር ንምቕያር ወይ'ውን ንምስራዝ ምተቓልዐ ነይሩ ይብል። እቶም ናይ ቴለኮም ኩባንያታት ነቲ ንኽልተ ሰሙን ምድንጓይ ዝብል ዝቐረበ እማመ ከምዝተቐበልዎ ብሰኑይ ሓቢሮም። ኤፍኤኤ እቶም ኩባንያታት ነቲ ምድንጓይ ፍቓደኛታት ብምዃኖም ኣመስጊኑ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59865001"} {"headline":"ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ እትኽተሎ ሓድሽ ፖሊሲ ዘነጽር መግለጺ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን","content":"ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣፍሪቃ ፈላማይ ምብጻሕ ዝገበረ ሚኒስተር ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ዝተዛረቦ ቃል ዝሰምዐ፡ ኣመሪካ፡ ንኣፍሪቃ እትርእየሉን ብዛዕባ ኣፍሪቃ እትዛረበሉን መገዲ ዓብዪ ለውጢ ከም ዘለዎ ክግንዘብ ይከኣል'ዩ። ብሊንከን፡ 'ኣፍሪቃ ስሕበት መጻኢ'ያ' ዝብል ዘረብኡ ድሕሪ ሕጂ ኣፍሪቃ ዕሽሽ ክትብሃል ከም ዘይትኽእል የመልክት። እዚ ኣህጉር፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ቑጽሪ መንእሰያት ዘለዎ ኮይኑ ኣብ 2050 ኣብ ዓለም ካብ ኣርባዕተ ሰባት እቲ ሓደ ኣፍሪቃዊ ክኸውን እዩ። እዚ ብዝሒ ህዝቢ ንዝመጹ ዓሰርተታት ዓመታት ዓለምለኻዊ ጉዳያት ክጸሉ'ዩ፤ እንተኾነ፡ ብዙሓት ፈተናታት ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሮም ኣለው። ብሊንከን፡ መንግስቱ ካብቲ ኣፍሪቃ ብምንእኣስ ዝፍለጥ ዶናልድ ትራምፕ ብዝተፈልየ መገዲ ከም ዝጥምታ ኣረዲኡ። ቅድሚ ሕጂ ኣፍሪቃ እንታይ ክትገብር ከም ዘለዋ ንምርኣይ ልዕልነታ ተንጸባርቕ ዝነበረት ኣመሪካ ሕጂ ብሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢኣ ኣቢላ ምሕዝነትን ንግዳዊ ርክባትን ከም እትጠልብ ኣብሪሃ። ምምሕዳር ባይደን ዝኽተሎ ፖሊሲ ኣፍሪቃ ኣመልኪቱ ዝተዛረበ ብሊንከን፡ ሃገሩ ኣብ ሓሙሽተ ኣገደስቲ ዓውድታት ኣተኹራ ከምእትሰርሕ ተዛሪቡ። ኣመሪካ ምስ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ንግዳዊ ልውውጥ ኣለዋ፤ እንተኾነ ካብቲ ሓፈሻዊ ንግዳዊ ልውውጥ ብኽልተ ሚእታዊት ዝንኣሰ'ዩ። እዚ ብቐንዱ ኣብ ናይጄሪያ ጀሚሩ ኣብ ንግዲ ወጻኢ ነዳዲ ትኹረት ዝገበረ'ዩ። ኣብዚ እዋን ሃገሩ ንኣፍሪቃ ዘለዋ ፖሊሲ ኣመልኪቱ ዝተዛረበ ብሊንከን፡ ኣብ ግዜ እቲ ሕሉፍ ምምሕዳር ዝተጀመረ \"ክልትኣዊ ምሕዝነት ንግድን ኢንቨስትመንትን ንምዕባይ ዕላማ ዝገበረ\" ፕሮግራም ብልጽግና ኣፍሪቃ [ፕሮስፐር ኣፍሪካ ፕሮግራም] ጠቒሱ። ኣብ እዋን መሪሕነት ክሊንተን'ውን እዚ ንክዕወት ካብ ቐረጽ ናጻ ዝኾነ ዕድል ተጠቃምነት ንግዲ 'ኣጎዋ' ተጀሚሩ። ኣጎዋ፡ ንብዙሓት ኣብ ምምዕባል ዝክረከባ ሃገራት ዕዳጋ ኣመሪካ ክፉት ንክኸውን ዕድል ይህበን። ዓብዪ ቑጠባ ዘለወን ሃገራት ኣብ ንግዳዊ ጉዳያት ዘትርፋላ ኣመሪካ እዚ ዕድል ዘይረኸባ ሃገራት ቑጠብአን ምዕባይ ንክኽእላ እዩ እዚ ዕድል ተዋሂቡወን። እንተኾነ መብዛሕትኡ ዝሓሰቦ ትልሚ ከዐውት ከም ዘይኽኣለ ይግለጽ። ኣብ ኢንዳስትሪ ዓለባ ከም ኢትዮጵያን ኬንያን ዝበላ ሃገራት ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ሰፈይቲ ክዳን ኮይኖም ተቖጺሮም ዝሰርሑሎም ኢንዳስትሪታት እንተተኸፈቱ'ውን መብዛሕትኡ ዓለባ ብሕሱር ዋጋ ኣብ ቻይና ፈርዩ ዝመጽእ'ዩ። ስለዝኾነ ድማ ኣብቲ ኢንዳስትሪ ወይ'ውን ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ጥረ ኣቑሑ ክፈርዩ እንከለው ብውሑድ ወይ'ውን ካብ ጽልዋ ናጻ ዝኾነ ዕድል ምምጻእ ኣይተኽኣለን። ዕዳጋ ኣፍሪቃ ዓብዪ እንተኾነ'ውን ካብ ሓንቲ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ዘሎ ሰንሰለት ሓደ ዓይነት ቅጥዒ የብሉን። ከምኡ'ውን ሰፋሕቲ ጸገማት ትሕተ ቕርጺ፣ ሎጀስቲክስን ቀረጽን ኣለዎ። እዚኦም ንምፍታሕ ብዝብል ሕብረት ኣፍሪቃ ኣህጉራዊ ናጻ ቐጠና ንግዲ ክጣየሽ ገይሩ'ዩ። ብሊንከን ሃገሩ ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ንግዳዊ ምሕዝነት ብጸጋ ከም እትቕበሎን ሃገራት ኣፍሪቃ'ውን ካብቲ ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ተጠቀምቲ ንክኾናን ትሰርሕ ምህላዋ ሓቢሩ። \"ኣብ ዓለም ቑጠባ ኣፍሪቃ ሓያል ዕብየት ከርኢ ኢና ንደሊ\" ኢሉ። ቻይና፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርግሐ ትሕተ ቕርጺ ቐንዲ ተዋሳኢት ኮይና፡ ምምሕዳር ትራምፕ ዝኽተሎ ዝነበረ ፖሊሲ ኣፍሪቃ ጽልዋ ቻይና ኣብ ምቅዋም ትኹረት ዝገበረ'ዩ ነይሩ። ብሊንከን ግን ሕጂ ካብ ምምሕዳር ትራምፕ ዝተፈለየ ኣጠማምታ'ዩ ዘለዎ። \"ናትና ፖሊሲ ኣፍሪቃ ንኣፍሪቃ ማእከል ዝገበረ እምበር ብዛዕባ ቻይና ኣይኮነን\" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ኣብዚ \"መብዛሕትኡ ግዜ ዓለምለኻዊ ስምምዓት ትሕተ ቕርጺ ግልጺ ዘይኮኑ፣ ዘገድዱ፣ ሃገራት ክጻወርኦ ዘይኽእላ ዕዳ ዘሸክሙ፣ ንኸባቢ ዘዕንው'ዮም። ስለ ዝኾነ ኩል ግዜ ኣብዘን ሃገራት ዝነብሩ ሰባት ተጠቀምቲ'ዮም ምባል ኣይክኣልን\" ብምባል ሃገሩ ካብዚ ዝተፈልየ ስምምዓት ከም እትፍጽም ኣረዲኡ። ሚኒስተር ጉዳይ ወጻኢ ብሊንከን ኣንጻር ኮሮናቫይረስ ዝግበር ቓልሲ ብኻልኣይ ደረጃ ቐዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ ምዃኑ ገሊጹ። ዘ-ግሎባል ኮቪድ ኮርፕስ ዝተባህለ ሓድሽ ህዝባዊ ናይ ውልቂ ተበግሶ \"ትካላት ንግዲ ኣመሪካ 'ናይ መወዳእታ ማይል' ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ረድኤት ሎጀስቲክስ ምስ ዘድልየን ሃገራት ከራኽባ እዩ\" ኢሉ። ኬንያ፡ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ናብዚ ተበግሶ ዝተጸምበረት ፈላመይቲ ሃገር ኮይና'ላ። እቲ ተበግሶ ግን ተሓለቕቲ ጥዕና ኣፍሪቃ ካብ ዝጽበዩዎ ዝነኣሰ'ዩ። ኣብ ምዕባይ ዘለዋ ሃገራት ህዝበን ዘድልዮ ክታበት ብጅምላ ምፍራይ ንክኽእላ መሰላት ፕሮፐርቲ ራይት ክዋሃበን ክሓታ ጸኒሐን። ክሳብ ሕጂ ብዙሓት ሃገራት \"ምውዳእን ምምላእን\" ዝብሉ መሰላት ዘረጋገጻ ኮይነን እዚ ናይ መወዳእታ መስርሓትን ክታበታት ምዕሻግን የካትት። ኣፍሪቃ ካብ ዝኾነ ኣህጉር ዝተሓተ መጠን ክታበት ዘለዋ ኮይና ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለደ ወርሒ ምሉእ ንሙሉእ ዝተኸትቡ ኣፍሪቃውያን ብዝሒ ሽዱሽተ ሚኢታዊት ጥራሕ ከም ዝኾነ ትካል ጥዕና ዓለም ገሊጹ። ብኣንጻሩ ኣብ ኣመሪካ ልዕሊ 58 ሚኢታዊት ህዝቢ ምሉእ ንምሉእ ከም ዝተኸትበ ሰብ መዚ እታ ሃገር ወግዓዊ ገይሮም'ዮም። ኣፍሪቃ ንክሊማዊ ለውጢ ዘለዋ ኣበርክቶ ትሑት'ኳ እንተኾነ ንጽልዋ ክሊማዊ ለውጢ ኣዐርያ ዝተቓልዐት እያ። ኣመሪካ፡ ኣብ ፕሮጀክት ዓለማዊ ክሊማዊ ለውጢ ካብ 2024 ጀሚራ ዓመታዊ ሰለስተ ቢልዮን ዶላር ክትስልዕ መደብ ሒዛ ትርከብ። ሰባት ምስ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ምዝማድ ትኹረት ዝገበረ ፖሊሲ ባራክ ኦባማ 'ፓወር ኣፍሪቃ' ኣብ ተሓዳሲ ጽዓት ትኹረት ገይሩ ቐጺሉ ኣሎ። \"ኣብ ኣፍሪቃ ልዕሊ 25 ሚልዮን ኣባይትን ትካላት ንግድን ምስ ኤሌክትሪክ ክራኸቡ ገይርና ኢና። 80 ሚኢታዊት ኣብ ተሓዳሲ ጽዓት ዝተደረኸ'ዩ\" ኢሉ። ኣመሪካ ኣብዚ ኣህጉር ዓብዪ ብጽሒት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ሞንጎ ቦትስዋናን ናሚቢያን ዘሎ ምትሕብባር ልምዓት ትሳተፍ ከም ዘላ'ውን ሓቢሩ። ብሊንከን ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝነበሮ ምብጻሕ \"ዓለምለኻዊ ዝሕታለ ዴሞክራሲ\" ዘትይሉ። ካብ ሰብ መዚ ኣመሪካ ብዝተፈለየ መልክዑ ግልጽነት ዝነበሮ ብሊንከን ኣብ ግዜ ምምሕዳር ትራምፕ ዝተላዕለ ናዕብን ዕግርግርን ከምኡ'ውን ማሕለኻታት ዴሞክራሲ ብምልዓል ኣመሪካ ንርእሳ ተቓላዒት ምዃና ተዛሪቡ ኣፍሪቃ ኣብዚ ዓመት ካብ ቀረባ ዓሰርተ ዓመታት ንነጀው ብዙሕ ዕልዋ መንግስቲ ክተአንግድ ጸኒሓ። ኣብ ማሊ፣ ጊኒን ሱዳንን ሰራዊት ብሓይሊ ስልጣን ተቖጻጺሩ'ዩ። እንተኾነ ኣብ ዛምቢያ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ዝኾነ ከምኡ'ውን ኣብ ኒጀር ሰላማውን ዴሞክራሲያውን ስግግር ስልጣን ተኻይዱ እዩ። ብሊንከን ምልካዊ መራሕቲ ብብዝሒ ቴክኖሎጂ ይጥቀሙ ከም ዘለው ሓቢሩ። ብሊንከን፡ ካብ ዘልዓሎም ሓሙሽተ ነጥብታት እዚ እቲ ሓደን ኣዝዩ ኣገዳስን እዩ። እዚ ምስ ፖለቲካዊ ርግኣትን ክሊማዊ ለውጥን ተኣሳሲሩ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ፈተና ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ጥራይ ስግኣት እታ ሃገርን ሃገራት ኣፍሪቃን ከም ዝኾነ ብሊንከን ተዛሪቡ። ልዕሊ ሓደ ዓመት ገይሩ ዘሎ እዚ ኲናት ካብ ትግራይ ተላዒሉ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ክልሕም እንከሎ፡ ኲናት ጠጠው ንክብል ኣመሪካ ምስ ኬንያ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት ኦሊሰንጎን ኦባሳንጆን ካልኦት ሃገራትን ብቐረባት ትሰርሕ ምህላዋ ኣረዲኡ። ብፍላይ ነዚ ኣመልኪቱ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪቃ ጄፍሪ ፌልትማን ምስ ኦሎሶንጎን ኦባሳንጆ ብምዃን እቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኹነት ኲናት ጠጠው ከብሉ፣ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ጠጠው ክብሉ፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንሓደጋ ጥምየት ተቓሊዖም ዘለው ሚልዮናት ህይወቶም ንምድሓን ረድኤት ክበጽሕ ክመቻቾን ሰብኣዊ ኣገልግሎታት ተበጻሕቲ ክኾኑን ይስራሕ ኣሎ ኢሉ። እቲ ሓድሽ ፖሊሲ ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝሓለፉ ምምሕዳራት ዝቐጸለ'ኳ እንተኾነ ንማዕረ ምሕዝነት ፍሉይ ትኹረት ዝሃበ ኮይኑ ኣሎ። \"መብዛሕትኡ ግዜ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ክንዲ ማዕረ ከም ካልኣይ ወይ ካብዙ ዝኸፍአ ይርኣያ\" ምንባረን ብምግላጽ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣፍሪቃ ንጎኒ እትገድፋ ኣህጉር ከም ዘይኮነት ገሊጹ። ኩሎም ትንበያታት ድማ ኣፍሪቃ ኣብ ዓለማዊ ቑጠባ፣ ድሕነትን ፖለቲካን ጸላዊ እጃም ከም ዝህልዋ ዘርእዩ ምዃኖም ሓቢሩ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59364112"} {"headline":"ኣፕል ናይ ቁርዓን መተግበሪ ካብ ‘ኣፕ ስቶር’ ቻይና ኣልዩ","content":"ኣፕል ካብ ሰበስልጣን ቻይና ንዝቐረበሉ ጠለብ ስዒቡ፡ ኣብ ዓለም ፍሉጥ ንዝኾነ ናይ ቁርዓን መተግበሪ ኣልዩ። እቲ ‘ቁርዓን ማጂድ’ ዝተባሃለ መተግበሪ ኣብ ዙርያ ዓለም ኣብ ‘ኣፕ ስቶር’ ዝርከብ ኮይኑ ልዕሊ 150 ሽሕ ርእይቶታት ዝተወሃበሉ ፍሉጥ መተግበሪ እዩ። እቲ መተግበሪ ሕጋዊ ዘይኮኑ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ብምግባሩ ከምዝተኣለየ ቢቢሲ ክርዳእ ክኢሉ ኣሎ። መንግሲቲ ቻይና ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶ ክህብ ቢቢሲ ንዘቕረበሉ ሕቶ ምላሽ ኣይሃበን። እቲ መተግበሪ ከም ዝተኣለየ ፈለማ ዝሓበረ፡ እቲ ኣብ ዙርያ ዓለም ኣብ ‘ኣፕ ስቶር’ ንዘለው መተግበሪታት ዝቆጻጸር ድሕረ ገጽ ‘ኣፕል ሴንሰርሺፕ’ እዩ። ነቲ መተግበሪ ዘዳለወ ትካል ፒዲኤምኤስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ብመሰረት ካብ ኣፕል ዝረኽብናዮ ሓበሬታ ‘ቁርዓን ማጂድ’ ካብ ሰብ መዚ ቻይና ተወሳኺ ሰነዳት ስለዘድልዮ ካብ ኣፕ ስቶር ቻይና ተኣልዩ ኣሎ” ኢሉ። ወሲኹ’ውን “ነቲ ጸገም ንምፍታሕ፡ ምስ ምምሕዳር ስፔስ ቻይናን ዝምልከቶም ሰብ መዚ ቻይናን ንዘራረብ ኣሎና” ኢሉ። ኮምኒስታዊ መንግስቲ ቻይና ንእስልምና ኣብታ ሃገር ከም ወግዓዊ ሃይማኖት ኣፍልጦ ሂቡ እዩ። እንተኾነ ግና ቻይና ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ክፍለግዝኣት ዚንጅያንግ ዝርከቡ ብቐንዱ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ዝኾኑ ህዝቢ ዊገር፡ ክሳብ ምጽናት ዓሌት ዝበጽሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምፍጻማ ትኽሰስ። ኣብ ፈለማ እዚ ዓመት፡ ኣብ ዚንጅያንግ መራሕቲ ሃይማኖት (ኢማማት) ዊገር ዕላማ ከምዝተገበሩ ቢቢሲ ጸብጺቡ እዩ። ብዛዕባ ምእላይ እቲ መተግበሪ ርእይቶ ክህብ ብቢቢሲ ዝተሓተተ ኣፕል ፍቓደኛ ኣይነበረን። እንተኾነ ቢቢሲ ነቲ “ንሕግታት እታ ሃገር ክነኽብር ንግደድ ኢና፤ ኣብ ገለ ኩነታት ግና ምስ መንግስታት ዘይንሰማምዓሉ ዝተሓላለኸ ጉዳያት ክህሉ ይኽእል እዩ” ንዝብል ፖሊሲ ሰብኣዊ መሰላት ኣፕል ክውከስ ኣዘኻኺሩ። እንተኾነ ግና እቲ መተግበሪ ነየናይ ሕጊ ቻይና ከምዝጠሓሰ ግሉጽ ኣይኮነን። ቁርዓን ማጂድ ኣብ ዓለም “ብልዕሊ 35 ሚልዮን ተጠቀምቲ ተኣማንነት” ከምዘለዎ ይገልጽ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኩባንያታት ኣፕልን ጉግልን ብኣባል ተቓውሞ ሩስያ ዝኾነ ኣብዚ እዋን ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ኣሌክሲ ናቫልኒ ዝተዳለወ ድምጺ መውሃቢ መተግበሪ ኣልዮም እዮም። እቶም ኩባንያታት ነቲ መተግበሪ ምስ ዘይኣልይዎ መቕጻዕቲ ክስዕቦም ምዃኑ ሰብ መዚ ሩስያ ኣጠንቂቖም ነይሮም። ቻይና ሓንቲ ካብቶም ዝዓበዩ ዕዳጋታት ኣፕል ኮይና፡ እቲ ተካል ንብዙሕ ቀረባት’ውን ኣብ ቻይናውያን ኣፍረይቲ ይምርኮስ። ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣፕል ቲም ኩክ ብዛዕባ ፖለቲካ ኣመሪካ እናተዛረበ ኣብ ጉዳይ ቻይና ሱቕ ብምባሉ ፖለቲከኛታት ኣመሪካ ኣምስሉ ክብሉ ይገልጽዎ እዮም። ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 2017 ኣብ ልዕሊ ብቐንዱ ተኸተልቲ እስልምና ዝኾና ሃገራት እገዳ ድሕሪ ምንባሩ ሚስተር ኩክ ተቓውሞኡ ገሊጹ ነይሩ። እንተኾነ ግና መንግስቲ ቻይና ንዝገብሮ ምመያ ተማእዚዙ ብምዃዱን ንኣተሓሕዛ ውሑዳን ሙስሊም ዘይምንቃፉን ተቓውሞታት ክገጥሞ ጸኒሑ እዩ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58939041"} {"headline":"ፈተነ ሚሳኤል ቻይና ኣዝዩ ዘሻቕል እዩ - ኣመሪካዊ ጀነራል","content":"ቻይና ኣካይዳቶ ተባሂሉ ዝጥርጠር ኣዝዩ ፈጣን ሃይፐርሶኒክ ሚሳኤል ምስቲ ‘እዋን ስፑትኒክ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሩስያ ሰብ ሰራሕ ሳትላይት ዝፈተነትሉን ንምኽንያት ቅድድም ምውናን ኣጽዋር ዝሑል ኲናት ዝኾነን ኣጋጣሚ ከምዝመሳሰል ላዕለዋይ ኣመሪካዊ ጀነራል ገሊጹ፡፡ ኣቦ መንበር ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣመሪካ ዝኾነ ማርክ ሚለይ ምስ ወኪል ዜና ብሉምበርግ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ወታሃደራዊ ሓይሊ ቻይና ብፍጥነት ይዓቢ ከምዘሎ ተዛሪቡ፡፡ እቲ ቻይና ኣካይዳቶ ዝተባህለ ፈተነ ሚሳኤል ንሰራዊት ምክልኻል ኣመሪካ ከምዘሰምበደ ፋይናንሻል ታይምስ ኣብዚ ወርሒ ጸብጺቡ ነይሩ። ቻይና ግና ናይ ህዋ መንኮርኩር ከምዝወንጨፈት'ምበር ፈተነ ሚሳኤል ከምዘየካየደት እያ እትገልጽ። ኣብ ቻይና ከቢድ ናይ ሃይፐርሶኒክ ኣጽዋር ፈተነ ከምዝተርኣየ ዝገልጽ ጀነራል ሚለይ \"ኣዝዩ ዘሻቕል እዩ\" ክብል ተዛሪቡ። \"ብርግጽ ኣብ ናይ ስፑትኒክ እዋን ብዛዕባ ምህላውና ኣይፈልጥን፤ናብኡ ዝቀራረብ ግን ይመስለኒ። ኣቓልቦና ወሲዱ ኣሎ።\" ርእይቶ እቲ ጀነራል ነቲ ቻይና ኣብዚ ክረምቲ ክልተ ፈተነታት ሚሳኤል ከምዘካየደት ዝገልጽ ክሲ ዘረጋገጸ ፈላማይ ዕላዊ መግለጺ እዩ፡፡ እቲ ሚሳኤል ንስርዓት ምክልኻል ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ጥሒሱ ናይ ምሕላፍ ተኽእሎ ከምዘለዎ እዮም ጸብጻባት ዝሕብሩ፡፡ ኣብ 1957 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ፡ ሶቭየት ሕብረት ዝሰረሐቶ ሳትላይት ስፑትኒክ፡ ኣመሪካውያን ብቴክኖሎጂ ተበሊጽና ኢሎም ከምዝስንብዱ ገይሩዎም ነይሩ። እቲ ኣጋጣሚ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝነበረ ጆን ኤፍ ኬኔዲ ንፈለማ እዋን ኣብ ወርሒ ሰብ ክነዕርፍ ኢና ናብ ዝብል ንሕንሕ ዘእተዎ ኮይኑ ካብ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ዝነኣስ እዋን ክዕወት ክኢሉ እዩ፡፡ ኣብ ርእይቶ እቲ ጀነራል ተሓቲቱ ምላሽ ንምሃብ ፍቓደኛ ዘይኮነ ወሃቢ ቃል ፔንታጎን ጆን ኪርቢ ድማ ‘‘እዚ ቴክኖሎጂ ኣይኮነን፤ ናዓና ሓድሽ ነገር እዩ፡፡ ንነዊሕ እዋን ዘይሓሰብናዮ ነገር እዩ’’ ኢሉ፡፡ ኣመሪካ ሓይሊ ምክልኻላ ንምጥንኻርን ናይ ባዕላ ሃይፐርሶኒክ ዓቕሚ ንምጥራይን ትሰርሕ ከምዘላ እውን ወሲኹ ሓቢሩ፡፡ ሃይፐርሶኒክ ሚሳኤላት ካብ ፍጥነት ድምጺ ሓሙሽተ ዕጽፊ ቀልጢፎም ናይ ምጉዓዝን መከላኸሊ ኣየር ናይ ምጥሓስን ተኽእሎ ኣለዎም፡፡ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብቲ ኣብ ቨርጂንያ ዝርከብ ማእከል ናሳ ሰለስተ ፈተነታት ሃይፐርሶኒክ ሚሳኤል ኣካይዳ እያ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዳይረክተር ሲኣይኤ ቢል በርንስ፡ ቻይና ዝዓበየት ቴክኖሎጂያዊ ስግኣት ኣመሪካ ከምዝኾነት ብምግላጽ ኣብ ልዕሊኣ ዘካይድዎ ስለላ ከምዘሐይልዎ ተዛሪቡ እዩ፡፡ ምምሕዳር ጆ ባይደን ንርክብ ክልቲአን ሃገራት ብስትራተጂካዊ ውድድር ዝተሰነየ ከምዝኾነ እዩ ዝገልጽ፡፡","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59073683"} {"headline":"ቴክኖሎጂ፡ ቻይና ብሮቦት ዝምርሓ ኣገልግሎት ታክሲ ዝህባ መካይን ጀሚራ","content":"ርእሰ ከተማ ቻይና ንመጀመርታ ግዜ ብሮቦት ዝምርሓ ኣገልግሎት ታክሲ ዝሃብ መካይን ጀሚራ። እተን ሰብ ኣልቦ ወሃብቲ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ንግዝኡ ብሰባት እናተመረሓ ናይ ፈተነ ስራሕ ከምዝጀመራ ተፈሊጡ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59619468"} {"headline":"ንኣይኤስ ናይ ፕሮፓጋንዳ ቪዲዮታት ዝተረኸ ካናዳዊ ኣብ ኣመሪካ ተኸሲሱ","content":"ንእስላማዊ ጉጅለ ፕሮፖጋንዳ ዝውዕል ናይ ቪድዮ ድምጺ ዝተረኸ ካናዳዊ ብኣመሪካ ተኸሲሱ። ትውልዲ ዓዱ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝኾነ መሃመድ ከሊፋ: ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ውሽጢ ሶርያ ብኩርዳውያን ብዝምራሕ ሚሊሻ ምስ ተትሓዘ እዩ ንኤፍ.ቢ.ኣይ ተመሓላሊፉ ተዋሂቡ። ዓቀብቲ ሕጊ፡ እዚ ወዲ 38 ዓመት ውልቀሰብ ብድሕሪ ዓመጽ ዘሎ ሰብ እዩ ክብሉ ኣረዲኦም። እቲ ውልቀሰብ፡ ቪድዮታት ምትርጓምን ምትራኽን ስራሕቲ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ተዋጋኣይ እዩ ነይሩ። “ንኣሸባሪ ጉጅለ ንዋታዊ ድጋፍ ብምግባር” ብዝብል ክሲ ኣብ መጻኢ ሰሙን ኣብ ቤት ፍርዲ አመሪካ ክቐርብ እዩ። መሓመድ ካሊፋ ኣብ ቀይዲ ምስ ወዓለ ምስ ሓደ ጋዜጣ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሓትት፡ “ንሱ ተራ ተዋጋኢን ድምጺ ኣይኤስን” ከምዝነበረ ኣሚኑ ኣሎ። ኣብቲ ቪድዮ ብዝረተኾም ኣዝዮም ዘስካሕኽሑ ተርእዮታት ድማ፡ “ኣነ ዝኾነ ተራ ኣይነበረንን” ክብል ተኸራኺሩ። መሓመድ ከሊፋ፡ ብ2013 እዩ ካናዳ ገዲፉ ናብ ሶርያ ብምኻድ ናብ ኣይኤስ ተሓዊሱ። ኣብኡ ድማ፡ ናይቲ ጉጅለ ዋና ናይ ፕሮፖጋንዳ ኣባል ኮይኑ፡ ነዚ ድማ ቋንቋ ዓረብኛን እንግሊዝኛን ስለዝኽእል ከምዝኾነ መምርሒ ፍትሒ ኣመሪካ ገሊጹ። መሓመድ ገበነኛ ኮይኑ እንድሕር ተረኺቡ ዕድመ ይፍታሕ ማእሰርቲ ክብየኖ ይኽእል እዩ ተባሂሉ። እቲ ጉጅለ ኣብ ዒራቕን ሶርያን መሰረቱ እንተስፍሕ፡ ርእሲ እንትቑረጽ ሓዊሱ ዘርእዩ ኣዝዮም መስካሕኻሕቲ ቪድዮታት ከም ፕሮፖጋንዳ ይጥቀመሎም ነይሩ። እንተኾነ ካብ 2017 ጀሚሩ እቲ ጉጅለ እቶም ተቖጀጻጺርዎም ዝነበሩ ግዝኣታት ምስ ሰኣነ፡ ናይቲ ፕሮጋንዳ ጻዕሪ ነክዩ ነይሩ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58780294"} {"headline":"ልደትኩም ኣብ ሰማይ ብእትዛውን መኪና ክተሕልፍዎ’ዶ ምፈተኹም?","content":"እታ ብጀስተን ኤሮ ዝተሰርሐት ኣብ ሰማይ እትበርር መኪና ናይ ሓደ ሰብ ቦታ ጥራይ እዩ ዘለዋ። ኣብ ልደትኩም ክትጥቀሙላ እንተደሊኹም 92 ሽሕ ዶላር እዩ ዋግኣ። እንተኾነ ግና እታ በራሪት መኪና ኣብ ሰማይ ን15 ደቃይቕ ጥራይ እያ ክትጸንሕ እትኽእል።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60006842"} {"headline":"ኣብ ቻይና ቤይጂንግ ኣብ ውድድር ሮቦት ሓሙሽተ ኢትዮጵያውያን ተዓዊቶም","content":"ኣብ ቻይና ቤይጂንግ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሮቦት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቲያንዢን ተመሃሮ ቴክኖሎጅን ኢዱኬሽንን ዝኾኑ ሓሙሽተ ኢትዮጵያውያን ሜዳልያ ወርቂ፣ ብሩርን ነሓስን ብምርካብ ተዓዊቶም። ኢትዮጵያውያን ሰላሙ ይስሃቅ፣ ኣባኩማ ጌታቸው፣ ፀጋየ ኣለሙ፣ ዮሃንስ ሃይለመስቀልን ሄኖክ ሰይፉን ተሳተፍቲ እቲ ውድድር ነይሮም። ካብዞም ተወዳደርቲ፡ ሰላሙ ይስሃቅ ሜዳልያ ወርቂ፣ ኣባኩማ ጌታቸውን ፀጋየ ኣለሙን ድማ፡ ሜዳልያ ብሩር ብምርካብ ኣብ ዝተወዳደርሉ ዓውዲ ተዓዊቶም። ብተወሳኺ፡ ዮሃንስ ሃይለመስቀልን ሄኖክ ሰይፉን፡ ተሸለምቲ ሜዳልያ ነሓስን ፅዋዕን ኮይኖም። ቢቢሲ ዘዘራረቦ ተሸላሚ ወርቂ ሰላሙ ይስሃቅ፡ እቶም ኢትዮጵያውያን ብዓውዲ ትራይ ኮ ሮቦትስ ኤንድ ኣፕሊኬሽን \/ \"Tri-Co\" Robots and Robot Application\/ ከም ዝተወዳደሩ የረድእ። እቲ ውድድር ሰለስተ ሰዓታት ክወሃቦ እንከሎ፡ ኣብዚ ተበታቲኖም ዝተቐመጡን ግኡዝ ዝኾኑ ኣካላት ገጣጢምካ፡ 'ህይወት ምዝራእ'ን ዝወሃቦ ልኡኽ ዝፍፅምን ሮቦት ክተዳሉ ትጽቢት ይግበር። ተመሃራይ ሳልሳይ ዓመት ሰላሙ ይስሃቅ፡ ነዚ ኣብ 1 ሰዓትን 53 ደቓይቕን ብምዝዛም ተዓዋቲ ኮይኑ ሜዳሊያ ወርቂ ተሸሊሙ። ኣብዚ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዝተኻየደ ውድድር፡ ካብ 20 ዩኒቨርስቲታት፣ ካብ ትካላት ንግድን ምርምርን ዝተዋፅኡ ክልተ ሽሕ ተወዳደርቲ ክሳተፉ እብከለው ሰላሙ ብዓውዲ ኢንዱስትርያል ሮቦቲክስን ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስን ሰብ ሰራሕ'ዩ ተዓዊቱ። ኣካል እቲ ኣብ 2015 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዝተጀመረ ዓለምለኸ ኮንፈረንስ ሮቦት ዝኾነ ውድድር ሮቦትን ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስን፡ ብኣርባዕተ ምድባት'ዩ ዝካየድ። ኣብ ቻይና ግዝኣት ቲያንጂን ኣብ ዩኒቨርሲቲ Tianjin University of Technology and Education ይመሃር ዘሎ ሰላሙ፡ ኣብቲ ሎሚ ዓመት ንሻብዓይ ግዘ ዝተኻየደ ውድድር ብዓውዲ ኢንደስትርያል ሮቦቲክ'ዩ ተወዳዲሩ። ሰላሙ ዝተሳተፈሉ ውድድር \"ዝተፈታትሐን\" ፕሮግራም (መተግበሪ) ኮምፒዩተር ዘይተፀዓነሉ ሙሉእ ሮቦት ገጣጢምካ ምድላው'ዩ። ኣካል እቲ ሮቦት ገጣጢምካ፡ ሶፍትዌር ምፅዓን'ውን ካልእ ኣካል እቲ ውድድር'ዩ። \"ኣጋጣሚ ምስ ቻይናዊ'የ ተወዳዲረ......ኩሉ ነገር ከም ዝሰርሕ ብምርግጋፅ፡ ተዓዋቲ ምዃነይ ኣረጋጊፆምለይ\" ብምባል የረድእ። እቲ ሮቦት፡ \"ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዝሰርሕ፡ ካብ ካልእ ቦታ ብኸመይ ኣቕሓ የንቀሳቕስ፣ ብዝኣዘዝናዮ መሰረት ብኸመይ ይንቀሳቐስ ዝብል'ዮም ዝርእዩ። ነዚ ኢና ሙሉእ ብሙሉእ ሰሪሕና\" ይብል። ሰላሙ ብዛዕባ ይመሃሮ ዘሎን ዝተዓወተሉን ኢንደስትርያል ሮቦቲክ እንተረድእ፡ ናይ ቻይናን ጀርመንን ፋብሪካታት መካይን ከም ኣብነት የቕምጥ። እተን ሃገራት መኪና እንክሰርሓ፡ \"እቲ ዝበዝሕ ነገር ብሮቦት'ዩ ዝገጣጠም። ሰባት ውፅኢትን ጥዕነአንን ንምርግጋፅ ኣብ መወዳእታ እንተዘይከይዶም፡ ሙሉእ ስራሕ ብሮቦት'ዩ ዝስራሕ\" ዝብል ሰላሙ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተወዳዳሪ ምህርትታት ንምቕራብ ተመሳሳሊ ቴክኖሎጂ ከም ዘድልይ የርእይ። \"ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ጥረ ኣቕሓ ኣሎ። እዚ ጥረ ኣቕሓ ኣብኡ 'ፕሮሰስ' ጌርና ናብ ዓለም ንምቕራብ ግና ገና ኢና። ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ የድልየና\" ይብል። ቡን ከም ኣብነት ዝወስድ ሰላማ፡ \" ኣብ ኢትዮጵያ ንሓደ ኪሎ ቡን 200 ወይ 300 ብር እዩ። ኣብዚ (ቻይና) ፕሮሰስ ጌሮም፡ ንፍርቂ ኪሎ ቡን 800 በናይ ቻይና ቕርሺ እዩ ዝሽየጥ፤ 8 ሽሕ ብር ማለት'ዩ። ኢትዮ ፍሌቨር ኢሎም እዮም ዝሸጥዎ። እዚ ቡን ኣብ ኢትዮጵያ ፕሮሰስ ተጌሩ ብቐጥታ ናብ ቻይና ሰደድ እንተዝግበር፡ ሸርፊ ወፃኢ ናብ ኢትዮጵያ እዩ ዝመፅእ\" ብምባል የረድእ። ካብዚ ብዝዘለለ ኣብ ከም ፋብሪካታት ሲሚንቶን ሓፂንን፡ ኢንደስትርያል ሮቦቲክን ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስን ኣብ ስራሕ ብምውዓል፡ ብትሑት ወፃእን ጉልበትን፡ ተወዳዳሪ ፍርያት ምቕራብ ይከኣል፡ ኢሉ። ሰላሙ ይስሃቅ ቅድሚ ንትምህርቲ ናብ ቻይና ምኻዱ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ቴክኒካል ዩኒቨርሲቲ መምህር ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ። እቲ ሕዚ ይመሃረሉ ዘሎን ቅድም ሕዚ ይምህረሉ ዝነበረን ትካል፡ ንኢንዳስትርያል ሮቦቲክስ ሓዊሱ ብኣርባዕተ ዘፈራት ትምህርቲ፡ ብሓባር ንምስራሕ ስምምዕ ስለ ዘለዎም፡ ናብ ሃገሩ እንትምለስ በዚ ዓውዲ ዜጋታት ከፍርይ ይብህግ። ኣርባዕቲኦም ዘፈራት ትምህርቲ፡ ኣብቲ ቴክኒካል ዩኒቨርሲቲ ዝጠቓለሉ እንትኾኑ፡ ንሰላሙ ሓዊሱ ካልኦት ኣብ ተመሳሳሊ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ቻይና ትምህርቶም ይከታተሉ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን፡ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣብቲ ማእኸል ከም ዋና ኣሰልጣኒ ኮይኖም ክሰርሑ'ዮም። ከም ኣገላልፃ ሰላሙ፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ካብ ዝህቦም ስሩዓት መርሃ ግብሪ ትምህርቲ ብተወሳኺ፡ ክእለት መዕበይ ስልጠናታት ብምውሳድ፡ ንዓለምለኸ ውድድር ክእለት ይዳለዉ ኣለዉ። ኣብ ኢትዮጵያ ኢንዳስትሪ ይሰፍሕ ከም ዘሎ ዝዛረብ ሰላሙ፡ እዚ እንዳስትሪ ድማ ብኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ምሕጋዙ ዘይተርፍ'ዩ ይብል።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58659306"} {"headline":"ሚሌኒያልስ፡ ብሓቂ 'ዕድለኛታት ዘይኮኑ ወለዶ' ድዮም?","content":"ካብ 1981 ክሳብ 1996 ኣብ ዘሎ ግዜ ዝተወልዱ ሰባት ወይ ወለዶ 'ሚሌኒያልስ' ተባሂሎም ዝጽውዑ ኮይኖም ካብቶም ቅድም ኢሎም ዝነበሩ ወለዶታት ዝዛየደ ብልጽግናን ዓለምለኻዊ ጽልዋን ዝሓልሙ ተባሂሎም እዮም ዝውሰዱ። እዚኦም ፈላሞት ናይ ባዕሎም ኮምፒዩተር፣ ዘመናዊ ቴሌፎናት [ስማርትፎን]፣ ኢንተርነትን ዓለማዊ ዋሕዚ ሓበሬታን ዝነበሮም ናይ መጀመርታ ወለዶ'ዮም ክብሉ ሰብ ሞያ ይገልጹዎም። ይኹን'ምበር እዞም ወለዶ፡ \"ብውድቀቶም\" ይኹን \"ብሕምቐቶም\" ካብ ጽግዕተኝነት ወለዶም ዘይተናገፉ ብምዃኖም፡ ብተደጋጋሚ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ክንቐፉን ንርኢይቶታት ዝተቓልዑን'ዮም። ብዛዕባ ነብሶም ዓብዪ ግምት ዝነበሮም ኮይኖም፡ ምስ ወለዶም ብዝተኣሳር ብዝነበሮም ሓለፋ ትምህርቲ ከምኡ'ውን ማሕበራዊ ውህደት ዝምክሑ'ዮም ተባሂሎም ይንቀፉ። እንተኾነ ዓለምለኻዊ መጽናዕታት ከም ዘመክትዎ ብግሃድ 'ሚሌኒያልስ' ዝተንደላቐቐ ህይወት ንምንባር ብዝብል ብዝኸዱዎ ርሕቐት ካብ ኣያታቶም ንላዕሊ ኣብ ዕዳ ናይ ምእታው ዕድሎም ዝለዓለ እዩ። ኣብ ሞንጎ ትጽቢትን ክውንነትን ዘሎ ምርሕሓቕ ዘይምግንዛብ ድማ፡ እዞም ወለዶ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣደዳ ላግጽን ጎዳኢ ርኢይቶ ዝቐርበሎምን ኮይኖም ኣለው። እቲ ካብዚ ዝኸፍአ፡ ካብቲ ንዕኦም ዝትክኡዎም 'ወለዶ ዜድ (Z)' ዝበጽሖም ንዑቕ ኣረኣእያ'ዩ። ስለዚ፡ ሚሌኒያልስ እንታይ'ዮም ኾይኖም? ናይ ብሓቂ ወዲቖም ድዮም? ብዙሓት ኣብዚ ዙርያ መጽናዕቲ ዘካየዱ ሰባት፡ እዚ ወለዶ ክንቀፍ ኣይግብኦን ዝብል ምላሽ'ዩ ዘለዎም። \"ሚሌኒያልስ፡ መጀመርታ ዘመናዊ ስልክን ኢንተርነትን ዝወነኑ ወለዶ'ዮም። ስለ ዝኾነ ድማ በዚ መገዲ ኣብ ዓለም ብዛዕባ ንዝህልዎም እጃም ኣብ ግዝኦም ረዘንቲ ሓሳባት ከማዕብሉ ትኽክል'ዩ\" ይብል ፕሬዝደንት ኣብ ሞንጎ ወለዶታት 'ሚሌኒያልስን ዜድን' መጽናዕቲ ዘካይድ ማእከል ጀነሬሽናል ኪኔቲክስ ጃሶን ዶርሲ። \"ወለዶም፡ ምስ ሕሉፍ ወለዶ ብምንጽጻር ዝሓሸ ናይ ትምህርቲ ዕድል ብምህላዩ፡ ዕውታት ክኾኑ ከም ዝኽእሉ'ዮም ዝነግሩዎም\" ኢሉ። ይኹንምበር፡ ካብ 2008 ክሳብ 2009 ዘጋጠመ ቑጠባዊ ዝሕታለ፣ ሕጂ ድማ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብኣብነት ብምልዓል እዞም ወለዶ ዕድለኛታት ኣይኮኑን ኢሉ ይካታዕ። \"ብብዙሕ መልክዑ፡ ሚሌኒያልስ ዕውታት ኮይኖም'ዮም፤ ግን ድማ ምስ ቑጠባዊ ዝሕታለ፣ ዝቕባበ ዋጋ፣ ምትሓት ደሞዝን ምውሳኽ ዋጋታትን ተላቲሞም\" ይብል። ስነ ሞገት እቶም ሰብ ሞያ ብስታቲስቲካል መረዳእታ'ውን ዝተደገፈ እዩ። ኣብ ኣመሪካ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ዋሽንግተን ፖስት ኣብ ዘዳለዎ ጸብጻብ እቶም ሚሌኒያልስ \"ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ዕድለኛታት ዘይኮኑ ወለዶ ክብል\" ገሊጹዎም እዩ። \"እቲ ሕጂ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ኣብ ግምት ብምእታው [ለበዳ ኮቪድ-19] ብማእከላይ ሚሌኒያልስ ዋላ'ውን ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ካብ ካልእ ወለዶ ብዝለዓለ ዕድል ስራሕ እንተረኸቡ ትሑት ቑጠባዊ ዕብየት'ዮም ኣርእዮም\" ይብል እቲ ጽሑፍ። \"ሚሌኒያልስ እቲ ቁጠባዊ ጸገማት ዘውረደሎም ሃሰያ ንመዋእሎም ዝፍለዮም ኣይኮነን፤ እዚ ብትሑት እቶት፣ ትሑት ብልጽግናን ሃብቲ ንምውናን ነዊሕ ግዜ ብምውሳድን ዝግለጽ'ዩ\"። ኩሉ ወለዶ ነናይ ባዕሉ ዝሓልፎም ግድላት ኣለው፤ ዶርሲ ነዚኦም 'ወሰንቲ ግዝያት' ክብል ይገልጾም። እዚኦም ናይ ህይወትን ትምህርትን ምርጫታት እንገብረሎም፣ ብዛዕባ ክብርታትን መጻኢናን እንውስነሎም መድረኻት ጉዕዞ'ዮም። ካብ 1928 ክሳብ 1945 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ዘሎ ግዜ ዝተወለዱ 'ሳይለንት' ወለዶ ተባሂሎም'ዮም ዝጽውዑ። ናይዚኦም ግዜ፡ ብዓብይኡ ብካልኣይ ኲናት ዓለም ይግለጽ። ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ዘለው ዓመታት ዝተወለዱን [ካብ 1946 ክሳብ 1964 ዓ.ም] 'Baby boomers' ዝበሃሉ ኮይኖም፡ እቲ ግዜ ንዝተወሰነ ግዜ ዝጸንሐ ወሰኽ መጠን ወሊድ ዝተራእየሉ ብምዃኑ'ዩ ነዚ መጸውዒ ተዋሂቡዎም። ወለዶ ኤክስ [X] ዝብሃሉ ድማ ካብ 1965 ክሳብ 1980 ዝነበሩ ኮይኖም መወዳእታ ዝሑል ኲናትን ዝርግሐ ለበዳ ሕማም ኤችኣይቭን ዝርኣዩ'ዮም። እቶም ወለዶ ዜድ [Z] ዝብሃሉ ካብ 1997 ክሳብ 2012 ዓ.ም ኣብ ዘሎ ግዜ ዝተወለዱ ሰባት ድማ፡ ብጽልዋ ኮሮናቫይረስ ዝግለጽ ህይወት ዘሕልፉ ዘለው እዮም። ኩሎም ወለዶታት ግን፡ ብተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት፣ ለበዳታትን ኣዝዮም ዘሰክፉ ፖለቲካዊ ፍጻሜታትን ዘተኣናግዱ ምዃኖም ሓደ ይገብሮም። እቲ ቀንዲ ነገር ይብል ዶርሲ፡ ኣብ ምኽባር ዋጋ መነባብሮ ዘሎ ጉዳይ'ዩ። ብቐንዱ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓለም ንትምህርትን ክራይ ገዛን ዝሕተት ወጻኢ ኣዝዩ ልዑል'ዩ። ወለዶ ዜድ ክሳብ ዝመጽኡ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለው ወለዶታት ሚሌኒያልስ ዳርጋ ተመሳሰልቲ'ዮም ነይሮም ክብል እቲ ክኢላ የብርህ። እዚ ማለት \"እቶም ሰባት ተመሳሰልቲ'ዮም ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ርክባት፣ መዘናግዒ፣ ባህልን ፖለቲካዊ ተሳትፎን ዝነበሮም ኣተሓሳስባ ተመሳሳሊ'ዩ ማለትና'ዩ። እቲ ቑጠባ'ውን ናይ ባንክን ቐረባትን ስርዓት ስለ ዘሎ ዚያዳ ዝተኣሳሰረ'ዩ\" ኢሉ። ዶርሲ፡ ሚሌኒያልስ ብምኽንያት እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዋሕዚ ሓበሬታን ምትእስሳርን ተራ ዞባዊ ወይ ከባቢያዊ ፍጻመ ዓለምለኻዊ ክኸውን ዝገብር ዓለምለኻውነት ዘሰነፎም'ዮም ይብል። \"ብዛዕባ ከም ኲናት ዓለም ኣይኮንኩን ዘውግዕ ዘለኹ፤ እኳ ድኣ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዘጋጥም ናይ ባንኪ ቅልውላው ኣብ ካልኦት ዓብዪ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል'ዩ፤ እዚ ከኣ ኣገዳሲ'ዩ\"። ኣብ ርእሲኡ ግን፡ እዞም ወለዶ ካብ ወለዶም ንላዕሊ ናይ ስራሕ ጸገም ዘጋጥሞም'ዮም። \"ዕድሚኦም ሙሉእ ኣብ ሓደ ኩባኒያ ተቖጺሮም ክሓልፉዎ ከም ዘይደልዩ ብመጽናዕቲ ከነረጋግጽ ክኢልና ኢና\" ዝብል እቲ ክኢላ፡ እዚ ናይ ሓሳብ ናጽነት \"ናይ ባዕለይ ስራሕ ክፈጥር ይኽእል'የ\" ዝብል ባህጊ ከሕድሩ ከም ዝገበሮም የረድእ። ግን ድማ ናይዚ ኣሉታዊ ሸነኽ ኣሎ። እዞም ወለዶ ኣብ ከይዲ ብዝገጥሞም ፈተና ሸብረኽረኽ ናይ ምባል ዝንባለ ኣለዎም። \"ብጸገማት ክሰናበዱ ከለው ድማ፡ ብስርሖም ናይ ምዕባይ፣ ሓዳር ዝገብርሉ፣ ቖልዓ ዝወልዱሉ ግዜ፣ መንበሪ ገዛ ዝዕድጉሉ ወይ'ውን ገንዘብ ዝዓቕርሉ ግዜ ንግዝኡ ብዝብል'ውን ንጎኒ ከጽንሑዎ ይስትውዓሉ\"። ካብዚ ብዝብገስ፡ እቲ ዘቐመጡዎ ሸቶ ተኾሊፉ ዝብል ስምዒት ይሓድሮም። \"እዚ ወለዶ፡ ካብ ቑጽጽሩ ወጻእ ብዝኾኑ ምኽንያታት፡ ብዙሓት ነገራት ኣዝዮም ዝርሓቑኒ'ዮም ኢሉ ክስምዖ ይኽእል'ዩ ምባል ይከኣል\" በሃሊ'ዩ ዶርሲ። ሚሌኒያልስ ኩለመንኦም ጸልማትን ብድሆታት ዝዓሰሎን'ዩ ማለት ኣይኮነን። እቲ ሓቂ ካብኡ ዝተፈለየ'ዩ። ኣብ ዙርያ እዚ ወለዶ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ እዞም ሰባት ብዙሕነት ንምቕባል ድሉዋት ከም ዝኾኑን ጽልዋ ዝሰርሑዎም ነገራት ዝርድኡን'ዮም ይብሉ። ንኣብነት፡ እዚ ወለዶ ብምኽንያት ጾታ ዘሎ ኣፈላላይ ደሞዝን ዘይማዕርነትን ንክፍታሕ ስጉምቲ ዝወሰደ ፈላማይ ወለዶ'ዩ። ከም ዶርሲ ዝበሉ ክኢላታት ግን ከምዚ ዓይነት ለውጢታት ዚያዳ ለውጢ ንክመጽእ ንዝገበረ ወለዶ ሚሌኒያልስ ንወለዶ ዜድ ዝረብሑ'ዮም ኢሎም ይኣምኑ። ብተወሳኺ፡ ሚሌኒያልስ ቅድሚኦም ካብ ዝነበሩ ወለዶምን ኣቦ ሓጎታቶምን ንምህዞ ስራሕ ልዑል ዋጋ ዝህቡ'ዮም። \"እዚ ወለዶ [ፈላማይ'ዩ] ምህዞ ስራሕ ከም ሓደ መተባብዒ ገይሩ ዝወሰደ'ዩ። ኣብ ካልኦት ወለዶታት ዝለኾነ ተበግሶ ካብ ሓለፍቲ ዓበይቲ ኩባኒያታት፣ መንግስታትን ካልኦት ስልጣን ዘለዎም ኣካላትን ክመጽእ ዝጽበዩ ዝነበሩ'ዮም\" ብምባል ዶርሲ የብርህ። ካብዚ ብዝብገስ፡ ዶርሲን ናይ ሞያ ብጾቱን ብዛዕባ እዞም ወለዶ \"ኣዝዩ ብሩህ ተስፋ\" ኣለዎም። \"ሚሌኒያልስ ግሩም ክእለት ኣለዎም፤ ብተዛማዲ መናእሰይ'ውን ስለ ዝኾኑ ኣብ ቐረባ ዓመታት ብዝመጽእ ቑጠባዊ ለውጢ ተጠቀምቲ ክኾኑ'ዮም\" ኢሉ። ወሲኹ \"ንቕድሚኦም ዝረብሖም ውሳነ ንክውስኑን ዕላምኦም ንከነጽሩን ዘኽእል እኹል ግዜ ኣለዎም። በቲ ሓደ ሸነኽ እዚ ወለዶ ዕድለኛ ኣይኮነን ዘብል እንተሃለወ'ውን፡ እቲ ዝኾነ ናብ ረብሕኦም ንምሽራፍ ግዜ ኣለዎም\" ክብል ኣረዲኡ። ብዙሓት ሃገራት ካብ ዘለወን ክሰርሕ ዝኽእል ሓይሊ ሰብ፡ ኣካል እዚ ወለዶ ከም ዝኾነ ዝገልጹ ሰብ ሞያ ኣብ ብርኪ ምምሕዳራት ዘለው'ውን ንሳቶም ከም ዝኾኑ ይሕብሩ። ካብ ወለዶ \"ሳይለንት\" ክሳብ ዜድ ዘሎ ምክፍፋል ወለዶታት ንገሊኡ፡ ስያመ ወለዶታት ባጫ እንተመሰለ'ውን፡ ንሰብ ሞያ ግን እዚ ምክፍፋል ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ። \"ኣብ መስርሕ ግዜ ዝህሉ ናይ ኣረኣእያ ለውጢ ንምጽናዕ ይሕግዙ'ዮም\" ክብል ፕሬዝደንት ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ፒው ሚካኤል ዲሞች ገሊጹ። \"ከም ዓለምለኻዊ ፍጻሜታት፣ ቴክኖሎጂካዊ፣ ቑጠባውን ማሕበራውን ለውጥን ዕብየትን ምስ ዑደት ህይወት ዘለዎም ምትእስሳርን ሰባት ንዓለም ዝርእይሉ መነጽር ኣብ ምቕራጽን ሓገዝቲ'ዮም\" ኢሉ። ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ፒው፡ ወለዶ ሚሌኒያልስ ካብ 1981 ክሳብ 1996 ዓ.ም ዝተወለዱ'ዮም ክብል እዩ ዝገልጾም። ጃሶን ዶርሲ ግና፡ ካብ 1977 ክሳብ 1995 ዓ.ም ዝተወለዱ'ዮም ብምባል ይሰርዖም። እዚ ወለዶ፡ ኣብ ከተማ ይኹን ኣብ ገጠር ወይ'ውን ደረጃ ትምህርቶምን እቶት ስድራቤቶምን ብዘየገድስ ካብ መጀመርቱ ምስ ቴክኖሎጂ ፍሉይ ዝምድና ዝነበሮ'ዩ። ይኹን'ምበር \"ወለዶ ሚሌኒያል ብምኽንያት 9\/11 [ኣብ ወርሒ መስከረም 2001 ኣብ ኣመሪካ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ] ኣብ 1995 እዩ ዘብቅዕ፤ እዚ ኸኣ ንመብዛሕትኡ ክፋል ግዜ ኣገዳሲ ፍጻመ'ዩ። ግን ድማ እቶም ድሕሪ 1995 ዝተወለዱ ን9\/11 ኣይዝክሩዎን\" ኢሉ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58196999"} {"headline":"ኣብ ሰማይ እትበርር መኪና","content":"እዛ መኪና’ውን ነፋሪት’ውን ኮይና እተገልግል ተሽከርካሪት ኣብ ሰማይ 40 ሰዓታት ዝወሰደ ናይ ፈተና በረራ ኣካይዳ ኣላ። እንተኾነ ግን ዛጊድ ንኽትበርር ዘኽእላ ምስክር ወረቐት ኣይተውሃባን ኣሎ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57643131"} {"headline":"ካብ ዩቲዩብ ኣብ ወርሒ ካብ 30 ሽሕ ክሳብ 220 ሽሕ ብር ዝረኽቡ ኢትዮጵያውያን ዩቲዩበራት","content":"ዩቲዩብ ንዘኽብሮ የኽብር። ግዘን ሓሳቦምን ሂቦም \"ስረሐይ ኢሎም\" ብትግሃት ቪድዮታት ንዝሰርሑ ሰባት ከይወዓለ እንከይሓደረ 'በረከት' ሒዝሎም ይመፅእ። ንገሊኦም ብሚልየን ዝቑፀር ዶላር ይኸፍል። ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 2020፡ ዩቲዩብ ራያን ካጂ ንዘተብሃለ ሰገን 29.5 ሚልየን ዳላር (ብእዋናዊ ሸርፊ ልዕሊ 1 ቢልየንን 305 ሽሕ ብር) ከፊሉ። እዚ ሰገን ናይቲ ዓመት ናይ ዩቲዩብ ልዑል ተኸፋሊ እንትኾን፡ ንዕኡ ስዒቡ ጂሚ ዶናልድሰን ዝተብሃለ ካልእ ዩቲዩበር ከኣ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት 24 ሚልየን ዳላር (ልዕሊ 1 ቢልየን ብር) ካብ ዩቲዩብ ረኺቡ። ዝኾነ ኾይኑ ክልቲኦም ዩቲበራት ኣብቲ ዓመት ዝረኸብዎ ኣታዊ፡ ኣብ 2014 ዓ.ም ንከተማ ሃዋሳ ምስ ዝተመደበ ባጀት ዝመዓራረ እዩ́። ኣብ ኢትዮጵያ'ውን ዩቲዩብ ንብዙሓት መመሓደርን ፍልፍል ኣታውን ይኸውን ኣሎ። ሚኪያስ ተኽለማርያም ይበሃል። ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት'ዩ ሚኪ ማይኮ ብዝብል ስያመ ናብ ዩቲዩብ ተፀንቢሩ። ቅድም ኢሉ'ውን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ጥበብ ናይ ምስራሕ ድሌት ዝነበሮ ሚኪያስ፡ ኣብ እንዳ ኢንተርኔት ተቖፂሩ ይሰርሕ ብዝነበረ መሓዝኡ ኣቢሉ፡ ዩቲዩብ ናይ ምዕዛብ እድል ተፈጢርሉ። እዚ ዕድል፡ ኣብ ዩቲዩብ ዝና ዘትረፉ ናይ ሃገራት ወፃኢ ዩቲዩበራት ንኽከታተልን ንሱ'ውን በዚ መድረኽ ኣቢሉ ስራሕ ክጅምር ደሪኽዎ፤ ናይ ዩቲዩብ ቻነል ድማ ኸፊቱ። ካብኡ ካሜራ ብምክራይ\" ምስ መሓዙቱ ኮይኑ ናይ 10 ደቒቓ ድራማ ሰሪሑ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ቻነሉ ቪድዮ ፀዓነ። ይኹን'ምበር እዚ ቪድዮ ብዙሕ ተመልካቲ ኣይረኸበን። በዚ ኩነታት ተስፋ ዘይቆረፀ ሚኪያስ ካልእ ናይ 'ፕራንክ' ቪድዮ ብምስራሕ ይፅዕን። \"ንሱ ዝሐሸ ተመልካቲ ኔርዎ። ማለት 50 ወይ 60 ተመልካቲ ኔሩ\" ብምባል ይዝክር። ብኸምዚ መገዲ ስርሑ ዝቐፀለ ሚኪያስ፡ ናይ ቪድዮታቱ ተመልካቲ ቀስ ብቀስ ብምውሳኽ፡ ዛጊድ ዝሰርሖም ቪድዮታት ብሓፈሻ ልዕሊ 43 ሚልየን ግዘ ተራእዮም። ናብ 485 ሽሕ ዝፅጋዕ 'ሰብስክራይበር' (ተኸታሊ) ረኺቡ። እዚ ብድምሩ ክሳብ 5 ሚልየን ብር ንኽረክብ ኣኽኢልዎ። ካብ ዩቲዩብ ብዙህ ረብሓ ረኺበ'የ ዝብል እቲ ዩቲዩበር፡ ኣብ ሰሙን ኣብ ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ሓሙሽተ ቪድዮታት ብምስራሕ የመሓላልፍ። ካብዚ ብዝረኽቦ ገንዘብ ድማ፡ \"ብፅቡቕ ኩነታት\" ናብርኡ ይመርሕ ኣሎ። ዩቲዩብ ብነፃነት ዝደልዮ ንክሰርሕ ዕድል ሂቡኒ፤ ንዓይ እዚ ምርካብ እቲ ዝዓበየ ረብሓ'ዩ። ካብዚ ወፃኢ ካብ ካልኦት ማሕበራዊ ሚድያ ብዝሐሸ ገንዘብ ይኸፍል'ዩ። እዚ ድማ ንባዕለይ ክሕግዝን ክልውጥን ኣኽኢሉኒ\"ብምባል የረድእ። \"ካብ መወዓውዒ ወፃኢ ኣብ ወርሒ ካብ ኣርባዕተ ሽሕ ክሳብ ሓሙሽተ ሽሕ ዳላር (ብእዋናዊ ሸርፊ 220 ሽሕ ብር) ከምዝረክብ ዝዛረብ ሚኪ ማይኮ፣ ካሜራ ተኻርዩ ዝጀመሮ ስራሕ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ክልተ ዘበናዊ ካሜራ ሓዊሱ ሙሉእ ናውቲ ክውንን ኣኽኢልዎ። ካብዚ ሓሊፉ ድማ፡ ንሸሞንተ ሰባት ቆፂሩ የስርሕ ኣሎ። ዊንታና ይልማ ድማ፡ ኣብ ኣተዓባብይኣ ዝረኣየቶን ክእረም ይግባእ ኢላ ዝሓሰበቶ ልምዲ ንምቕያር ብምባል ኔራ ናብ ዩቲዩብ ዝተፀንበረት። ኣብ ፍቕሪ፣ ሓዳርን ርክብን ብግልፂ ምዝታይ የድልይ ኢላ ትኣምን ዊንታና፡ እዚ ማሕበራዊ መድረኽ ነዚ ዕድል ሂብዋ። \"ናተይ ስድራ ቖልዑ እንከለዉ'ዮም ሓዳር ጌሮም፣ ምስትውዓል ስለዘይብሎም'ዩ እውን እመስለኒ ብዙሕ ግዘ ክፃልኡ እየ ዝርእዮም።.... ተምሃሪት ሃይስኩል (ካልኣይ ብርኪ) እንከለኹ፡ ኣቦይን ኣደይን ተፈላልዮም። .... ብጣዕሚ ሕማቕ ሂወት ኢና ኣሕሊፍና፡ ንሶም ስለዝተፈላለዩ .... ዝመርሐና ኣይነበረን። ካብዚ ግዘ ጀሚሩ (ኣብ ጉዳይ ፍቕርን ሓዳርን) ንምስራሕ ኣብ ውሽጠይ ኔሩ\" ትብል ዊንታና፡ ኣብ ጉዳይ ስድራ ብትኹረት ክስራሕ ይግባእ ትብል። \"እዚ ሱቕ ዝበሃል ጉዳይ ኣይኮነን። ትውልዲ ዝቕረፀሉ'ዩ። .... ስለዝኾነ ነዚ ስራሕ ክሰርሕ ዝደረኸኒ፡ ናይ ባዕለይ ሂወት፣ ናይ ስድራይ ሂወት'ዩ\" ትብል። በዚ ተበጊሳ፡ ኣብ ሓደ ዩቲዩብ ቻነል ተቖፂራ፡ ኣብ ጉዳይ ምሕዝነት፣ፍቕርን ሓዳርን ተቖፂራ ዝሰርሓቶም ቪድዮታት ብሚልየን ዝቑፀር ተመልካቲ ክትረክብ ኣኽኢልዋ። ነዞም ቪድዮታት ምስተዳሉ፡ ወናኒ ናይቲ ትሰርሐሉ ዩቲዩብ ቻነል ኣብ ወርሒ 10 ሽሕ ብር ይኸፍላ ኔሩ። ዊንታና ዩቲዩብ እንትትሰርሕ ዘጋጠማ ብድሆ ካብ ናይ ሚኪያስ ዝተፈለየ'ዩ። ዋላ'ኳ ቪድዮታታ ፅቡቕ ተመልካቲ እንተነበሮም፡ ነቲ ስራሕ ክትገድፎ ዝዕድሙ ርኢቶታት ይበፅሕዋ ኔሮም። ገሊኦም ርኢቶታት \"ንሞራላ ከይትንክፉ\" ብምጥንቃቓ ናብዚ ሕዚ ዘለቶ ብርኪ ንክትበፅሕ ምኽንያት ከምዝኾነ ትዛረብ። ኣብ ትሰርሐሎም ጉዳያት ብምንባብን ናይ ሰባት ልምዲ ብምሕታትን እኹል ምድላው ከምትገብር ትዛረብ ዊንታና፡ ቁፅሪ ተመልከትቲ ናይ ትሰርሖም ቪድዮታት ዋላ'ኳ እንተወሰኸ፡ መሃይኣ ግና ከምዘይወሰኸ ተረድእ። ስለዝኾነ ድማ እዚ ኣጋጣሚ ናይ ባዕላ ናይ ዩቲዩብ ቻናል ክትኸፍት ሓጊዝዋ። ንኽልተ ዓመታት ዝሰርሐትሉን ንዓወታን ተፈላጢት ንክይኸውን ምኽንያት ኮይኑኒ ኢላ ብምግዳፍ ናይ ባዕላ ዩቲዩብ ካብ ትኸፍት ክልተ ወርሒ ኣቑፂራ፤ ኣብዚ ግዘ ልዕሊ 19 ሽሕ ሰብስክራይበር 750 ሽሕ ጠቕላላ ተመልካቲ (ቪው) ረኺባ። ዊንታና'ውን ከም ሚኪያስ፡ ብነፃነት ምስራሕን ሰፊሕ ናይ ስድራ ግዘ ምሕላፍ ካብ ዩቲዩብ ዝረኸበቶ ረብሓ'ዩ። \"ካብ 10 ሽሕ ናብ 30 ሽሕ ብር በፂሐ .... ካብ ዝጅምሮ ገና ክልተ ወርሐይ'ዩ እናዓበኹ ከምዝኸድ ርግፀኛ እየ\" ትብል። ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ናይ ሰባት ሂወት ለውጢ ክትፈጥር ከምዝኸኣለት ብምግላፅ፡ \"ካብ ሓሙሽተ ሰባት እቲ ሓደ ብጣዕሚ ኢኺ ሓጊዝክኒ እንተይሉኒ፡ ብጣዕሚ እሕጎስ። ንሱ'ዩ ዕላማይ። ኣነ ዝፈልጦ፡ ፅቡቕ ዝመስል ኣብ ውሽጢ ግና ዝፈረሰ ስድራ ኣሎ። ኣብኡ ክበፅሕ ምኽኣለይ ደስ ዝብል'ዩ.... ምስ መፃምደይ ክፈላለ ኢለ ኔረ፡ ናህትኪ ቪድዮ ምስ ረኣኹ ተመሊሰ፡ ዝብል ሰብ ክረኽብ ከለኹ ብጣዕሚ እሕጎስ። ካብዚ ንላዕሊ ዓወት እንታይ ኣሎ?\" ብምባል ትሓትት። \"ኣነ ኣብዚ ዝበፃሕኹ፡ ብፅንዓት ስለዝሰራሕኹ እመስለኒ.... ብተኸታታሊ ብዘይ 'ቪው' እየ ሰሪሐ። ነዊሕ እዋን እንክሰርሕ ዩቲዩብ ኣይኸፈለንን ኔሩ። ምኽንያቱ ናይ ዩቲዩብ ሕጊ ክሕሉ ኔሩኒ። ዩቲዩብ ኣርባዕተ ሽሕ ናይ 'ተመልካቲ' ሰኣት ዝብሎ ነገር ኣሎ።ንሱ ክሳብ ዝመልእ፡ ብትግሃት ሰሪሐ'የ\" ዝብል ሚኪያስ፡ ኣብ ዩቲዩብ ውፅኢት ንምርካብ፡ ፈላማይ ቁልፊ ፅንዓት ምዃኑ ይገልፅ። \"ፈለማ ናይ ዩቲዩብ ስራሕ ንምስራሕ፡ ባዕልኻ ምፍላጥ'ዩ። ክንሰርሖን ክነመሓላልፎን ንደልዮ ነገር ክንፈልጥ ይግባእ። ናህተይ ድሌት ናይ ውሽጠይ እንተዘይኾን ኔሩ፡ ነቶም ፈተናታት ኣይምሓለፍክዎን። ብዙሓት ፈተናታት ንክንሓልፍ ዝገብረና፡ ሓቀኛ ድሌትና እንተኾይኑ'ዩ\" ትብል ዊንታና። ከም ሚኪያስ ዙርያና እንተድኣ ተዓዚብና፡ ኩሉ ነገር ንናይ ዩቲዩብ ቪድዮ እታወት ክኾን ይኽእል። \"ሓንቲ ኣደ ካብ ስራሕ መፅያ፡ ብኸመይ ንውላዳ ከምትሕብሕብ፣ ንስራሕ ክትከይድ፡ ንውላዳ እንታይ ኣዳልያ'ያ ትኸድ? ነዚ ምርኣይ ዝደሊ ተመልካቲ እኮ ኣሎ። ....መኸምበቲ ህንፃ ዝሰርሑ መናእሰይ ዩቲዩብ ተወሳኺ እቶት ምግባር ይኽእሉ'ዮም። ሓደ ገዛ ተጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ዘሎ ልፍዓት ኩላትና ክንርእዮ ንደልይ ነገር እዩ። ህይወት ኩሉ ምስ ዩቲዩብ ምርኻብ ንኽእል ኢና\" ይብል። ዊንታና ድማ፡ ዩቲዩብ ብትግሃት ንዝሰርሑ ከምዘበረታትዕ ብምግላፅ፡ ዝፀዓኑ ቪድዮታትን ቁፅሪ ተመልካቲኦምን ብዝወሰኸ ቁፅሪ ዝርከብ ገንዘብን ረብሓን 'መቋረፂ' ስለዘይብሉ ተዋዳዳራይ ሓሳብ ሒዝካ ምምፃእ ከምዘድልይ ትገልፅ። ቅድሚ ዓመታት በዓልሞያ ስልጠና ሚድያ ፒት ዋልተር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ፡ ኣብ ዩቲዩብ ዝፀዓኑ ቪድዮታት ውፅኢታዊ ንምግባር ዝሕግዙ ነጥብታት ኣቐሚጡ'ዩ። እቲ ፈላማይ ጉዳይ ናይ ተመልካቲ ሰዓት (watch time) እዩ። እሞ ከም ኣገላልፃ ዋልተር፡ ኣብ ዩቲዩብ ልዕሊ 'ቪው'፡ ተመልከትቲ ነቲ ዝተፅዓነ ቪድዮ ንኽንደይ ግዘ ርእየሞ ዝብል ወሳኒ'ዩ። ነዚ ኣብነት እንተቕምጥ፡ ሓደ ብካሊእት ዝቑፀር ናይ ምርኢት ግዘ ዘለዎ ግና ሓደ ሽሕ ግዘ ዝተርኣየ ቪድዮ፡ 100 ግዘ ምስዝተርኣየ ግና ናይ ሓደ ደቒቓ ናይ ምርኢት ሰዓት (watch time) ምስዘለዎ ቪድዮ ዝነኣሰ ክኾን ይኽእል'ዩ። ስለዚ ዋላ'ኳ ዝተፈለየ ሕጊ እንተዘይተቐመጠ፡ ናይ ምርኢት ግዘ ንምውሳኽ ካብ ሓደ ክሳብ ሰለስተ ደቒቓ ዝንውሓቱ ሰሓብቲ ቪድዮታት ምስራሕ፡ ውፅኢታዊ ንምዃን የኽእል'ዩ ይብል። እቲ ካልእ ርእሲ ወሳኒ ጉዳይ'ዩ። ንተመልከትቲ ክስሕብ ዝኽእልን ነቲ ቪድዮ ዝገልፅን፣ ካብቲ ቪድዮ ዝተወሰደ ሓሳብ ዝሓዘ ሓረግ ወይ ከኣ ካልእ ርእሲ ብዙሕ ተመልካቲ ንምርካብ የኽእል። ካብ ተደጋጋሚ ዓይነት ርእሲ ምቑጣብ ኣድላይ ከምዝኾነ ዝገልፅ እቲ በዓልሞያ፡ ርእስን ትሕዝቶ እቲ ቪድዮን ዝተፈላለየ ኮይኑ፡ ንተመልካቲ ዘሰሓሕት እንተድኣ ኮይኑ፡ ኣዝዩ ክጎድእ ከምዝኽእል ይሕብር። ብኻልእ ወገን ድማ፡ ነቲ ቪድዮ ዝገልፅን ካብኡ ዝተወሰደን ሰሓቢ ምስሊ (Thumbnail) ምጥቃም፡ ተመልከትቲ ነቲ ቪድዮ ንክርእዩ ከምዝሕግዝ ይገልፅ። እዚ ናይ ዩቲዩብ ተመልከትቲ መስሓቢ መገዲ፡ ነቲ ትሕዝቶ ዝገልፅ ፅሑፍ ንምውሳኽ ከምዝሕግዝ ዝሓበረ እንትኾን፡ እዚ ድማ ትሕዝቶ እቲ ቪድዮ ብሓፂርን ብቕልጣፈን ናብ ተመልካቲ ንምብፃሕ ይሕግዝ። እንተኾነ፡ ከም ርእሲ ዘሰሓሕት Thumbnail ምጥቃም ይጎድእ'ዩ። ፒት ዋልተር እቲ ዝተሰርሐ ቪድዮ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መድረኻት ምብፃሕ ዝብል መዛዘሚ ሓሳብ የልዕል። \"ልምዲ ኣጠቓቕማ ዩቲዩብ ንዘይብሎም ተጠቀምቲ ኢንተርነት ንምርካብ፡ ካብ ዩቲዩብ \"ውፅእ ኢልካ ምብፃሕ\" የድልይ ይብል። ማእኸል እቲ ስራሕ ግና፡ ንተጠቀምቲ ክስሕብ ዝኽእል ቪድዮ ብተኸታታሊ ብትግሃት ምስራሕ ከምዝኾነ እዮም እቶም ዩቲዩበራት ዝገልፁ። ዊንታና ንመፃኢ ቅድም ኢላ ትሓስቦ ዝነበረትን ምስ ውላዳ ትሰርሖን ህፃናት ማእኸል ዝገበሩ መፅሓፍቲ፣ ሙዚቃታትን መደባትን ናይ ምቕፃል ትልሚ ኣለዋ። ሚኪያስ ድማ ኣብ ሰናይ ስራሕቲ ዝጀመሮም ተግባራት ኣጠናኺሩ ናይ ምቕፃል ሓሳብ ኣለዎ። ካብ ሰሙናዊ መደባቱ ሓደ ዝኾነን '30 ሰከንድ' ዝተሰመየ መደቡ፡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ንዝተፀገሙ ሰባት ሓገዝ ዝረኽብሉ'ዩ። ስለዝኾነ ድማ ነዚ ሓሳብ ብምዕባይ 'የኔ ሰው' (ናህተይ ሰብ) ዝብል ትካል ሰናይ ምግባር ከፊቱ'ዩ። እሞ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ብምኻድ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘይተርኣዩ ርእሰ ጉዳያት ኣድሂቡ ንምስራሕ ትልሚ ዘለዎ እንትኾን፡ ምስ ሰናይ ተግባር ብምትእስሳር ንምስራሕ ይትልም።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58413802"} {"headline":"ኣፕል፡ ሞባይላ ይጽግነላ ናይ ዝነበረት ዓሚሉ ስእልታት ብምዝርግሑ ሚልዮናት ዶላር ካሕሳ ከፊሉ","content":"ዓብዪ ኣሜሪካዊ ኩባንያ ቴክኖሎጂ ኣፕል፤ ሰራሕተኝኡ ኣብ ስልኪ ሓንቲ ዓሚል ዝነበረ ፎቶታት ብኦንላይን ብምዝርግሓ ሚልዮናት ዶላር ካሕሳ ከምዝኸፈላ ተፈሊጡ። እታ ውልቀሰብ ዝተበላሸዋ ኣይፎን ሞባይል ክተስርሓ’ያ ናብቲ ናይ ኣፕል መደብር ዝኸደት። ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ሞባይላ ካብ ዝነበሩ ስእልታት ገሊኦም ልክዕ ባዕላ ከምዝጠቅዐቶም ብምምሳል ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ተዘርጊሖም። ኣፕል ነቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝተፈጠረ ስሕተት ብምእማን ይቕሬታ ሓቲቱ’ሎ። ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ምስጢራውነትን ድሕነትን ዓማዊልና ካብ ልቢ ኢና ንግደሰሉ። ኣብ እዋን ጽገና መረዳእታታት ክዕቀቡ ዝገብሩ ብዙሓት ኣሰራርሓታት እውን ኣለዉና” ኢሉ። “ኣብ 2016 ኣብ ሓደ ካብ ጨንፈር መደብራትና ከምዚ ዝበለ ይቕረ ዘይብሃል ጥሕሰት ከምዝተፈጸመ ምስፈለጥና ቅልጡፍ ስጉምቲ ኢና ወሲድና። ንኣሰራርሓ መደበራትና’ውን ብቐጻሊ ነትርሮ ኣለና” ክብል ወሲኹ ሓቢሩ። እቲ ክስተት ንመጀመርታ ጊዜ ኣብ ዘ ቴሌግራፍ ዝተቓልሐ ኮይኑ እታ ውልቀሰብ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦሬጎን ትምህርታ ትከታተል ነይራ። ሽዑ ሞባይላ ንኽትዕረየላ ብምሕሳብ ናብ ሓደ ምስ ኩባንያ ኣፕል ተሓባቢሩ ዝሰርሕ ‘ፕጋትሮን ተክኖሎጂ ሰርቪስ’ ዝተብሃለ መደብር መሸጣን ጽገናን ኣይፎን ትልእኻ። እቲ ጸገም ምስኣጋጠመ ከኣ ኣፕል ምጽራይ ብምግባር ንኽልተ ምስቲ ጉዳይ ዝተሓሓዙ ኪኢላታት ጽገና: ካብ ስራሕ ሰጒጉ። ኣፕል እቲ ጉዳይ ብምስጢር ክዕቀብ ድልየት’ኳ እንተነበሮ፤ ፔጋትሮን ንኣፕል ኣብ ዝኸፈሎ ካሕሳ ዝነበረ ናይ ቤት ፍርዲ ክትዕ’ዩ ኣቃሊዕዎ። ኣብ 2019 እውን ብተመሳሳሊ ሓደ ሰራሕተኛ መደብር ኣፕል ናይ ሓንቲ ሞባይላ ክጽገን ዝሃበቶም ሰበይቲ ስእልታት ካብ ስልካ ናብ ናይ ባዕሉ ስልኪ ልኢኹ ነይሩ። ሽዑ ኣፕል ኣብቲ ጉዳይ ቅልጡፍ ምጽራይ ብምግባር ነቲ ሰራሕተኛ ከምዘባረሮ ይዝከር። እዞም ኣጋጣምታት ከኣ ነቲ ኣብ ኣሜሪካ እናሰፍሐ ዝመጽእ ዘሎ ምንቅስቓስ ‘መሰል ንጽገና’ ዘጠናኽር ኮይኑ፤ እቲ ምንቅስቓስ ከም ኣይፎን ዝበሉ ናውቲ ቴክኖሎጂ ኣብ መደብራት እቶም ዓበይቲ ኩባንያታት ክጽገኑ ከምዘይብሎም ይሓትት። ኣስታት 20 ግዝኣታት ኣሜሪካ ነቲ መሰል ንጽገና ዝድግፍ ሕጊ ረቂቅ ኣዳሊወን ኣለዋ። እቲ ሕጊ ኣፕልን ካልኦት ዓበይቲ ኩባንያታትን ብሳልሳይ ኣካል ንዝግለጹ ኪኢላታት ጽገና ዘድልይ ናውቲን እታወትን ከቕርቡ የገድድ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57410829"} {"headline":"ክሪፕቶካረንሲ፡ 600 ሚሊየን ዶላር ዝሰረቐ ሰርሳሪ እቲ ገንዘብ ንዋንኡ መሊሱ","content":"600 ሚሊየን ዶላር ዘውጽእ ክሪፕቶካረንሲ ዝሰረቐ ሰርሳሪ ኮምፒዩተር መብዛሕትኡ እቲ ዝሰረቖ ገንዘብ ንሰብ ዋና ከም ዝመለሰ ተገሊጹ። ትማሊ፡ ፖሊ ኔትዎርክ ዝተባህለ ብቢትኮይንን ካልእ ዓይነት ክሪፕቶካረንስን ዝካየድ ምልውዋጥ ሃብቲ ዝከታተል ትካል 268 ሚሊየን ዶላር ዝኸውን ኢተር ዝተባህለ ክሪፕቶካረንሲ ከም ዝተመለሰ ብትዊተር ገሊጹ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ድማ እቲ ሰርሳሪ 342 ሚሊየን ዶላር ዘውጽእ ክሪፕቶካረንሲ ከም ዝመለሰ ተሓቢሩ። እቲ ኮምፒተር ጠሊፉ ዝደልዮ ሓበሬታ ምስ ወሰደ ካብቲ ትካል ካሕሳ ዝሓትት ዘሎ ውልቀሰብ ነቲ ፖሊ ኔትዎርክ ዝተባህለ ትካል ዝሰረቐሉ ምኽንያት ወግዓዊ ገይሩ'ዩ። እቲ ኩባኒያ ድማ እቲ ሰርሳሪ 600 ሚሊየን ዶላር ዘውጽእ ክሪፕቶካረንሲ እንተመሊሱ፡ ፍርቂ ሚሊየን ዶላር ከም ዝህቦ ቃል ኣትዩ ኣሎ። ይኹን'ምበር እቲ ሰርሳሪ ነቲ ገንዘብ ከም ዘይደልዮ ተዛሪቡ። እዚ ጉዳይ ድማ ንሰብ ሞያ ድሕነት ሳይበር ዓብዪ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ። ትካል ፖሊ ኔትዎርክ \"ሕጂ'ውን ኣብ ኢድ እቲ ሰርሳሪ 33.4 ሚሊየን ዶላር ኣሎ፤ ናይዚ ምኽንያት ቴዘር ዝተባህለ ክሪፕቶካረንሲ ነቲ ምዝውዋር ስለ ዝዓገቶ'ዩ\" ክብል ኣብ ለንደን ዝርከብ ተንታኒ ክሪፕቶካረንሲ ተዛሪቡ። እዚ ገንዘብ ግን ዝምለስ ድዩ ብካሕሳ ነቲ ሰርሳሪ ዝተበዋህበ'ዩ ዝብል ግን ግልጺ ኣይኮነን። እቲ መንነቱ ዘይተፈልጠ ሰርሳሪ ንክዛነን ፖሊ ኔትዎርክ ሓለውኡ ንከጠናኽርን ብዝብል ነቲ ገንዘብ ከም ዝሰረቖ ይዛረብ። ፖሊ ኔትዎርክ ዋላ'ውን ናይዚ ውልቀሰብ መንነት እንተዘይፈለጠ 'ሚስተር ዋይት ሃርት' እናበለ ይጽውዖ ኣሎ። ዋይት ሃርት ዝተባህሉ ሰርሰርቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኮምፒዩተር ብምጥላፍ ትካላት ናይ ድሕነት ስርዓቶም ንኸጠናኽሩ የተሓሳስቡ። ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ልክዕ ኣብ ፖሊ ኔትዎርክ ብዝበጽሐ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ፡ ብርክት ዝበሉ ጸገማት ኣጋጢሞም'ዮም። ኣብ ወርሒ ለካቲት 11 ሚሊየን ዶላር ዝሽረፍ ይርን ፋይናንስ፣ 37 ሚሊየን ዶላር ኣልፋ ፋይናንስ፣ ኣብ ወርሒ መጋቢት ድማ 32 ሚሊየን ዶላር ዝግመት መርካት ፋይናንስ ተሰሪቖም'ዮም።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58155777"} {"headline":"ኢትዮ-ቴሌኮም 40 ሚኢታዊት ብፅሒቱ ንምሻጥ ንተወዳደርቲ ክፍቲ ገይሩ","content":"ሚኒስቴር ገንዘብ ኢትዮጵያ፡ ኢትዮ-ቴሌኮም ብኽፋል ናብ ውልቀ ናይ ምዝውዋር ትልሚ ዝኾነ 40 ሚእታዊት ብፅሒት ኣክስዮን ንምሻጥ፡ ንተወዳደርቲ ክፍቲ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ። ምስዚ ብዝዛመድ ናይ ኦፕሬሽን፣ ምምሕዳር መሰረተ ልምዓትን ዓቕምታት ቴክኖሎጂን ብዝምልከት ዘለዉ ብሉፃት ተሞክሮታት ብምምፃእ፡ ዋጋ ምውሳኽ ዝኽእሉ ድሌት ንዘለዎም ተጫረትቲ ከምዝዓደመ ተሓቢሩ። ብኽፋል ናብ ውልቀ ናይ ምዝውዋር ናይ ድሌት መግለጺ ቅጥዒ ከምዝወፅአን፡ እዚ ድማ ብኽፋል ናብ ውልቀ ናይ ምዝውዋር ዝምልከቱ መምርሕታትን ዝርዝር ሓበሬታትን ዝቐርበሉ ከይድን ረቛሕታት ብቕዓትን ሓዊሱ፡ ኣብቲ ሰነድ ከምዝሰፈረ ተገሊፁ። ነዚ ቅጥዒ ንምርካብ ድሌት ዘለዎ ኣካል ዘይምለስ 20 ሽሕ ዶላር ክኸፍል ከምዝግባእ ተሓቢሩ። ካብ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ሓደ ዝኾነ ኢትዮ ቴሌኮም ብኣታዊኡ ኣትረፍቲ ካብ ዝኾኑ ትካላት ሓደ'ኳ እንተኾነ፡ ምስ ካልኦት ትካላት እቲ ዞባ እንትነፃፀር ትሑት ከምዝነበረ፡ ተንተንቲ እቲ ዓውዲ ይገልፁ። ኢትዮጵያ፡ ንኢትዮ-ቴሌኮም ሓዊሱ ካልኦት ትካላት ልምዓት መንግስቲ ንምሻጥ ዝወሰነት፡ ብቐንዱ ዘለዋ ብዙሕ ዕዳ ንምኽፋል ከምዝኾነ፤ ብተወሳኺ ከኣ ተበፃሕነት ቴሌኮም ንምውሳኽን ኣገልግሎት ንምቅልጣፍን ከምዝኾነ ይጥቀስ። ካብዚ ብተወሳኺ ናይ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ሪፎርም መደብ ኮይኑ፡ ናይ ውልቀ ቁጠባ ግደ ንምውሳኽ፣ ልምዓታት መንግስቲ ንምምሕያሽ፣ ተወዳድራይነቶም ንምጉልባት፣ ካፒታል ንዘለዎም ተበፃሕነትን ፅሬት ኣገልግሎት ንምምሕያሽን፡ ናብ ውልቀ ናይ ምዝውዋር ኣዋጅ ከምዝወፅአ፡ ሚኒስትር ገንዘብ ኣብ ናይ ሎሚመዓልቲ መግለፂ ኣመልኪቱ። ብትካላት ወፃኢ ካብ ዝተሓዙ ክልተ ፍቓዳት ቴሌኮም ብተወሳኺ፡ ቀንዲ ኣግልግሎት ወሃቢ እታ ሃገር ዝኾነ ኢትዮ ቴሌኮም'ውን ንሰብሃፍቲ ማዕፅኡ ክፍቲ ገይሩ ኣሎ። ብብሕታውነት ብመንግስቲ ክውነን ዝፀንሐ እዚ ትካል፡ 40 ሚእታዊት ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ፣ 5 ሚእታዊት ንኢትዮጵያውያን፣ እቲ 55 ሚእታዊት ድማ መንግስቲ ክሕዞ ትፅቢት ይግበር። ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ፍቓድ ቴሌኮም ዝተውሃቦ፡ ብኬንያዊ ሳፋሪኮም ንዝምራሕ ጥምረት እንትኾን፡ ብ 850 ሚልየን ዳላር እዩ ስዒሩ። እዚ 'ዓለም ለኸ ምትሕብባር ንኢትዮጵያ' ዝተሰመየ ጥምረት፡ ኣብቲ ዘፈር ኣለዉ ዝበሃሉ ትካላትን ኩባንያታትን ቴሌኮም ብጥምረት ዝሓዘ እንትኾን፡ እዚኦም'ውን ሳፋሪኮም፣ ቮዳኮም ግሩፕ፣ ቮዳፎን ግሩፕን ሱሚቶሞ ኮርፖሬሽንን ሲዲሲ ግሩፕን ዝተኻተትሉ'ዩ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58528781"} {"headline":"ሳፋሪኮም ድሕሪ ኣዋርሕ ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ቴሌኮም ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ቀረባ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኣቶ ጨረታ ብምዕዋት ፍቓድ ዝረኸበ ብሳፋሪኮም ዝምራሕ ጥምረት ድሕሪ ኣዋርሕ ኣብታ ሃገር ኣገልግሎት ምሃብ ክጅምር ምዃኑ ወግዓዊ ገይሩ። እቲ ጥምረት ‘ዓለምለኸ ምትሕብባር ንኢትዮጵያ’ ብዝብል ዝፍለጥ ኮይኑ ብቕድሚ ትማሊ [24 ግንቦት 2021] ብዌብሳይቱ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ’ዩ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2022 ኣገልግሎት ቴሌኮም ምሃብ ከም ዝጅምር ሓቢሩ ዘሎ። ዓለም ለኸ ምትሕብባር ንኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲኡ ንሳፋሪኮም፣ ቮዳኮም ግሩፕ፣ ቮዳፎን ግሩፕ፣ ሱሚቶም ኮርፖረሽንን ሲዲሲ ግሩፕን ዝበሃሉ ዓበይቲ ኩባንያታት ሓቚፉ’ሎ። ኢትዮጵያ፡ ዓውዲ ቴሌኮም ንናይደገ ሰብ ሃብቲ ንመሸጣ ከም እተቕርብ ምስ ኣፍለጠት ኣብዚ ዓመት ጨረታ ኣውጺኣ ምንባራ ይዝከር። ካብ ተጫረትቲ ከኣ ንክኽልተ ኩባንያታት ፍቓድ ክወሃብ ምዃኑ ተሓቢሩ ነይሩ። ብመሰረት እቲ ቅድሚ ሰሙናት ዝተኻየደ ጨረታ ድማ ንዝተፈላለዩ ኩባንያታት ዝጥርንፍ ዓለም ለኸ ምትሕብባር ንኢትዮጵያ ዝተባህለ ጥምረት 850 ሚልዮን ዶላር ብምቕራብ ተዓዋቲ ጨረታ ኮይኑ። ንኻልኣይ ተጫራቲ ግን ፍቓድ ኣይተወሃበን። እቲ ጥምረት ብተመጣጣኒ ዋጋ ኣገልግሎት ሞባይልን ኢንተርኔትን ብምሃብ ኣብ ዲጂታላዊ ስግግር ኢትዮጵያ ኣበርክቶ ከም ዝገብር ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ። “ዲጂታላዊ ስልቲ መነብባሮ ንምፍጣር ምስ ኢትዮጵያውያን ተራኺብና ክንሰርሕ ብምኽኣልና ሕጉሳት ኢና” ኢሉ ዋና ኣፈጻሚ ስራሕ ሳፋሪኮም ፒተር ንዴግዋ። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብቲ ንልዕሊ 120 ዓመታት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተባሒቱ ዝነበረ ዓውዲ ቴሌኮም ንናይ ደገ ኩባንያታት ፍቓድ ክወሃብ ምኽኣሉ “ታሪኻዊ ውሳነ” ክብል ገሊጽዎ’ሎ። ካብ መንግስታዊ ትካላት ልምዓት ኢትዮጵያ ሓደ ዝኾነ ኢትዮቴሌኮም ብዝረኽቦ ኣታዊ ኣብ ቅድሚት ካብ ሞንጎ ዝስርዑ’ኳ እንተኾነ ምስካልኦት ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ተመሳሰልቲ ኩብንያታት ክነጻጸር ከሎ ግን ኣታዊኡ ዝተሓተ ምዃኑ ተንተንቲ እቲ ዓውዲ ይገልጹ። ኢትዮጵያ ንኢትዮቴሌኮም ሓዊሱ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ትካላት ልምዓት ንምሻጥ ዝወሰነትሉ ቀንዲ ምኽንያት ንዘለዋ ዝለዓለ መጠን ዕዳ ንምኽፋል ከም ዝኾነ ዘረድኡ እቶም ተንተንቲ ብተወሳኺ ድማ ኣገልግሎት ቴሌኮም ብእኹል ንምዝርጋሕን ቅልጡፍ ንምግባርን ከም ዝዓለመ ይሕብሩ። እቲ ፍቃድ ረኺቡ ዘሎ ጥምረት ናብ ስራሕ ምስኣተወ ነታ ሃገርን ህዝባን ብዙሕ ረብሓታት ሒዙ ከም ዝመጽእ ትጽቢት ይግበር። ብፍላይ ምስ ምፍጣር ዕድል ስራሕ ዓብዪ ትርጉም ከም ዝህልዎ ይግለጽ። ሚንስተር ገንዘብን ኢትዮጵያ ዶክተር ብሩክ ታዬ ንኤኤፍፒ ከም ዝሓበሮ: እቲ ኩባንያ ኣብ ውሽጢ ዝቕጽሉ 10 ዓመታት ክሳብ 1.5 ሚልዮን ሓደሽቲ ዕድላት ስራሕ ዝፈጥርን 8.5 ቢልዮን ዶላር ሃብቲ ናብታ ሃገር ዘእትውን’ዩ። ዋና ኣፈጻሚ ስራሕ ቮዳኮም ግሩፕ ሻሜል ጆሱብ “እቲ ጥምረት ኣሳጋሪ ዝኾነ ኣገልግሎት ቴክኖሎጂ ብምቕራብ ጽቡቕ ተሞክሮ ዝሓዘ እዩ። ብፍላይ ኣብ ጥዕና፣ ትምህርትን ሕርሻን ደረጅኡ ዝሓለወ ኔትወርክ ቴሌኮም ብምህናጽ ጽቡቕ ስም ሃኒጹ’ሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ከኣ ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ንምርግጋጽ ክንሰርሕ ኢና” ኢሉ። ሓላፊ ናይቲ ኣብቲ ጥምረት ኣባል ዝኾነ ሲዲሲ ኣፍሪካ ኣይተ ትንቢተ ኤርሚያስ ብወገኑ “ዘመናዊ፣ ዝተረጋግአን ብቕልጡፍ ዝዓቢን ቁጠባ ክህነጽ ዝኽእል ዘተኣማምንን ተመጣጣኒ ዋጋን ብዘለዎ ዲጂታላዊ መሰረተ ልምዓት [ትሕተ ቅርጺ] እዩ” ክብል ተዛሪቡ። “10 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ኣብታ ሃገርመሰረታዊ ዝባሃሉ ዕድላት ቁጠባ ንምፍጣር ዘኽእል ምችው ኔትወርክ ንምዝርጋሕ ድልዋት ኢና። እዚ ድማ ንነበርቲ ከተማ፣ ሓረስቶት ከምኡ’ውን ካብ ዓበይቲ ክሳብ ነኣሽቱ ትካላት ንግዲ ዕድል ዝፈጥር’ዩ” ኢሉ። ዋና ኣፈጻሚ ስራሕ ቮዳፎን ግሩፕ ኒክ ሪድ፡ ኣብ ቁጠባን ልምዓትን ኢትዮጵያ እወንታዊ እጃም ንምፍጻም ድልየት ከም ዘለዎም ኣብቲ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ። ምኽትል ፕረዚደንት ኮርፖሬሽን ሱሚቶሞ ቶሺካዙ ናምቢ ብወገኑ፡ ኣብ ጃፓንን ካልኦት ክፋላት እስያን ዘለዎም ተሞክሮ ከምኡ’ውን ስግግራት ዲጂታል ናብ ኢትዮጵያ ከምጽኡ ድልየት ከም ዘለዎም ኣብቲ መግለጺ ኣፍሊጡ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57251421"} {"headline":"ኣይዳ 'ፈላመይቲ ሮቦት ስነ ጥበባዊት ዓለም'","content":"ኣይዳ ዝብል ሽም ዝተውሃባ ብሰብ ሞያ ኢንጅነሪንግን ስራሕቲ ቅድን ዝተሰርሐት እዛ ሮበት \"ፈላመይቲ ኣብ ስነ ጥበብ ዝወፈረት ሮቦት ዓለም\" ከም ዝኾነት ይግለጽ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57236503"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ቴሌኮም ዘቕርብ ተወሳኺ ትካል ዘለዎ ተስፋን ስግኣትን","content":"ሰራሕተኛ ባንኪ ዝኾነ ነባሪ ከተማ ጅማ መሓመድ ኣባጋሮ፡ ሞባይል ስልኩ ኩሉ ነገሩ ከም ዝኾነት ይዛረብ። ንርክባት ካብ እትህቦ ኣገልግሎት ብተወሳኺ ንዕድጊትን ምንቅስቓስ ገንዘብን እውን ዝለዓለ ረብሓ ከም ዘለዋ ይገልጽ። እዚ ንምግባር ግን ኣገልግሎት ኢንተርኔት ክህልው ናይ ግድን ከም ዝኾነ ብምሕባር ሓድሽ ኣቕራቢ ኣገልግሎት ቴሌኮም ናብ ኢትዮጵያ ምምጽኡ ጽቡቕ ዕድል ከም ዝኾነ ይዛረበ። “ውድድር ክህልው ከሎ ጽሬት ኣገልግሎት ይውስኽ ዋጋ ግን ይንክይ። ኣነ ኣብ ጽሬት ከትኩሩ’ዮም ዝብል እምነት ኣለኒ። ጽቡቕ ቴክኖሎጂ መጺኡ ህዝብን ሃገርን ተረባሕቲ ዲጂታላዊ ስግግር ዝኾኑሉ ዕድል ሒዙ ክመጽእ እዩ” ክብል የረድእ። ዓውዲ ቴሌኮም ንናይ ደገ ትካላት ዝኸፈተት ኢትዮጵያ፡ ጥምረት ዝተፈላለዩ ትካላት ንዝኾነ ፍቓድ ምሃብ ኣግልግሎት ቴሌኮም ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝሃበት ይፍለጥ። ካብቶም ኢትዮጵያ ኣቕሪባቶም ዝነበረት ክልተ ጨረታታት ነቲ ሓደ ዝተዓወተ ከኣ ጥምረት ሽድሽተ ትካላት ዝኾነ ‘ግሎባል ፓርትነርሺፕ ፎር ኢትዮጵያ’ ዝብል ስያመ ዘለዎ ትካል’ዩ። ኬንያዊ ኩባንያ ሳፋሪኮም፣ ቮዳፎንን ሲዲሲ ግሩፕን ካብ ዩናይትድ ኪንግደም፣ ቮዳኮም ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምኡ’ውን ሲሚቶምን ዲኤፍሲን ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ኣገልግሎት ዓውዲ ቴሌኮም ኢትዮጵያ ንምእታው ፍቓድ ከም ዝረኸቡ ይዝከር። ውድድር . . .ቴክኖሎጂ፣ ጽሬትን ዋጋን ነባርነታ ኣብ ኬንያ ዝኾነት ኣብ ‘ግሎባል ሻትዳውን’ ኣካያዲት ስራሕ ፖሊሲ ኣፍሪቃ ዝኾነት ብርሃን ታዬ፡ እዞም ሓደሽቲ ኣቕረብቲ ኣገልግሎታት ቴሌኮም ህዝቢ ክራኸብ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ንቑጠባ እታ ሃገር ከም ዘነቓቕሑ ትዛረብ። “ንኣብነት ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ከም ራይድን ፈርን ዝበሉ ኣገልግሎት ታክሲ ዝህቡ ትካላት ምስ ዓማዊሎም ዝራኸቡሉ መገዲ ስልክን ኢንተርኔትን ብምጥቃም’ዩ። ብተወሳኺ ድማ ኣብዚ እዋን ትማሃሮ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ትምህርቶም ብኢንተርኔት ዝከታተሉሉ ኩነታት’ዩ ዘሎ። ንሱ ጥራሕ’ውን ዘይኮነስ ኣብዚ እዋን ናይ ኩላህና ህይወት ምስ ኢንተርኔት ዝተትሓሓዘ ኮይኑ’ሎ” ትብል ብርሃን ምስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ስራሕ ዝተዋፈረ ኣዲስ ኣለማየሁ ‘ኣግልግሎት ዘቕርቡ ትካላት ምብዝሖምን ዝገብርዎ ፉኽክርን ንተገልገልቲ ከም ጽቡቕ ዕድል ዝቑጸር’ዩ’ ብዝብል ዝህቦ ሓሳብ ትሰማማዕ። “ብፍላይ ሕጉን ፖሊሲኡን ዝተመዓራረየ እንተኾይኑ እቶም ትካላት ብውድድር ናብ ተጠቀምቲ ዝሓሸ ኣገልግሎት ከቕርቡ እዮም። እዚ ከኣ ብቐዳምነት ዝስራዕ ረብሓ እዩ” ክትብል ተብርህ። ልዕሊ 100 ዓመታት ኣብ ኢድ መንግስቲ ዝጸንሐ እንኮ ኣቕራቢ ኣገልግሎት ቴሌኮም ዝኾነ ኢትዮ-ቴሌኮም ዝህቦ ኣግልግሎት ምእተን ውድድር ዝረኣየለን ሃገራት ኣፍሪቃ ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ዝተሓተ ምዃኑ ትሕብር። “ብኢትዮ ቴሌኮም ዝቐርብ ኣገልግሎት ን100 ሚልዮን ህዝቢ እኹል ኣይኮነን። ስለዚ ምምጻእ ናይቶም ሓደሽቲ ትካላት ብዙሕ ለውጢታት ክህልው ዝገብር’ዩ” ትብል። “ብመንጽር ሰብኣዊ መሰላት ክሪኦ ከለኹ ኸኣ ዝሓሸ ኢንተርኔት ምህላዉ ከም ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽን ሓበሬታ ምርካብን ዝበሉ መሰላት ክሰፍሑ ይገብር’ ክትብል ከኣ ወሲኻ ትገልጽ። ኣብ ኬንያ፡ ዩኒቨርሲቲ ስትራትሞር ተመራማሪት ዝኾነት ብርሃን ኣዲሱ ብወገና እቲ ጥምረት ኩባንያታት ዝኾነ ትካል ናብ ኢትዮጵያ ምእታዉ ዕድል ስራሕ ከም ዝፈጥር ዘለዋ እምነት ትዛረብ። “መንግስቲ ንኹሉ ዜጋ ዕድል ስራሕ ክፈጥር ኣይክእልን። ስልክን ኢንተርኔትን ከኣ ዕድል ስራሕ ክሰፍሕ ናይ ምግባር ተኽእሎ ኣለዎም። ንኣብነት ሳፋሪኮም ዝህቦ ኣገልግሎታት ብዙሓት ናብ ፈጠራ ስራሕ ክዋፈሩ ዝገበረ’ዩ” ትብል። እንተኾነ እቶም ትካላት ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ኣብ ዝግበረሉ እዋን መምርሒ፣ ሕግን ፖሊሲን ብኣግባቡ ክትግበር ከም ዘለዎ ተስምረሉ። ሓደሽቲ ‘ቢዝነሳት’ ንሓደሽቲ ጅማሮታት ቢዝነስ [‘ስታርትኣፕ’] ብሓሳብ፣ ብገንዘብን ዝተፈላለዩ ደገፋትን ኣብ ምጥንኻር ዝሰርሕ ኣዲስ ኣለማየሁ እቶም ትካላት ምምጽኦም ንኢትዮጵያ ከም ዝቕይራ እምነት ኣለዎ። “ኣነ ንኢትዮጵያ ምስ ጎረቤት ሃገር ኬንያ እምበር ምስ ኣውሮጳን ኣሜሪካን ኣይኮንኩን ዘነጻጽራ። እቲ ዘሎ ክፍተት ኣዚዩ ሰፊሕ እዩ” ይብል። ኣዲስ መስራቲ ናይቲ ‘ቃና’ ብዝብል ዝፍለጥ ጣቢያ ቴሌቪዥን እዩ። ሓደሽቲ ናይ ቢዝነስ ዕድላት ናብ ምፍጣር ቅድሚ ክልተ ዓመታት ከም ዝኣተወ ዝዛረብ ኣዲስ እንተኾነ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣግልግሎት ቴሌኮም ተስፋ ዘቑርጽ ከም ዝኾነ ኣይሓብአን። “ንኣብነት ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ስራሕ ዝኣተወ ሓደ ሓሳብ ብሓደ መንእይን መሓዙቱን ዝማዕበለ እዩ። እዚ ቢዝነስ ኣብ ኣገልግሎት ቴሌኮም ዝተምረተ ኮይኑ ኣቑሑት ካብ ቦታ ናብ ቦታ የንቀሳቕስ። እዚ ዝፍጸም ከኣ ከምቲ ልሙድ ብዳላሎ ዘይኮንስ ብመተግበሪ [‘ኣፕሊኬሽን’] ኣቢልካ’ዩ። እዚ መተግበሪ ተጠቀምቲ ዝኸፍልዎ ተወሳኺ ገንዘብ ክተርፍ ዝገብር’ዩ” ክብል የረድእ። እንተኾነ እኹል ኣገልግሎት ቴሌኮም እንተዘይሃልዩ፤ ቅልጡፍ ኢንተርኔት እንተዘይሃልዩን ዋጋ እንተዘይነክዩን ዋላ ዝኾነ ይኹን ሓሳብ እንተሃልወካ ናብ ዕዳጋ ምእታው ኣጸጋሚ ከምዝኾነ ድማ ወሲኹ ይገልጽ። “ክልተ ወይ ሰለስተ ኣማራጺ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ኣብ ዝህልዉ ዋጋ ይንክይ፤ ኣገልግሎት እውን ይመሓየሽ። በዚ ድማ ተጠቀምቲ ተረባሕቲ ይኾኑ” ይብል ንሓሳብ ኣዲስ ዘጠናኽር ርእይቶ ዘለዋ ብርሃን እዞም ትካላት ናብ ኢትዮጵያ ምእታዎም ነቲ ቀደሙ’ውን ድኹም ዝነበረ ንጥፈት ፈጠርቲ ዕድል ስራሕ ከነቓቕሖ ከም ዝኽእል ትዛረብ። ምቁራጽ ኢንተርኔት ኣዲስ “ንመጻኢ ናብ ዕዳጋ እነቕርቦ ቡንን ወርቅን ዘይኮን ርእሲ እዩ” ክብል ይዛረብ። ነዚ ከብራህርህ ከሎ ከኣ “ሕዚ ብዘሎ ደረጃ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ጥራይ ሶፍትዌራት ዘማዕብሉ፣ መተግበሪታት [ኣፕሊኬሽን’] ዝፈጥሩ፣ ነዚ ስራሕቲ ሰሪሖም ንናይ ደገ ትካላት ዝሸጡ መናእይ ብዙሓት’ዮም። ጽፈት ኣግልግሎት ኢንተርኔት እናወሰኸ ክኸይድ ከሎን ዋጋ እንትንክይን ከምኡ’ውን መንግስቲ ነዞም መናእይ እንተደጊፉ እንታይ ክፍጥር ከም ዝኽእል ገምቱ” ይብል። ኣብ ደገ ዘለዉ ትካላት ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ናብ ኢትዮጵያ ዘይልእኹሉ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ዘሎ ኢንተርኔት ዘተኣማምን ብዘይምዃኑ’ዩ። “ንኣብነት ሕዚ ኣብ ኣሜሪካ ስለ ዘለኹ ንብዙሓት ትካላት ከዘራርብ ከለኹ ‘ፈቲንናዮ ኢና፤ ብዙሓት ብቕዓት ዘለዎም መናእሰይ ከም ዘለዉ ንፈልጥ ኢና ግን ከኣ ኢንተርኔት የሰክፈና’ ይብሉኒ። ምቁርራጽን ድኹም ቅልጣፈን ኢንተርኔት’ዩ እቲ ቀዳማይ ጸገም። ካልኣይ ድማ ጎንጺ ብዝተወለዐ ቁጽሪ እቲ ኣገልግሎት ክቋረጽ ምግባር’ዩ” ክብል ርእይትኡ የጠናኽር። ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ጎንጽታት ከጋጥሙ ከለዉ ኢንተርኔት ምቁራጽ ኣብ ኢትዮጶያ ዝተለመደ ተግባር’ዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ ኮነ ኢለን ኢንተርኔት ካብ ሞንጎ ዘተኣጓጉላ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ኮይና ትጥቀስ። እሞ እዚ ደኣ ነቶም ዝኣትዉ ሓደሽቲ ትካላት ስግኣት’ዶ ኣይኸውንን? “ብመንጽር እቲ ክሳብ ሕዚ ዘሎ ተሞክሮ እንተሪኢናዮ፡ ንመጻኢ እውን ምቁራጽ ከም ዝህልው ዝግመት’ዩ። ስለዚ እቲ ጥምረት ኩባንያታት ዝኾነ ትካል ናብ ኢትዮጵያ ክኣትው ከሎ በዚ ክህሰይ ይኽእል’ዩ። እንተኾነ እቶም ትካላት ኢንተርኔት ኣብ ዝዕጸወሉ እዋን ‘ንምንታይ ተዓጽዩ?’ ንዝብል ሕቶ ሓበሬታ ናይ ምቕራብ ግቡእ ኣለዎም። ስለዚ እንተወሓደ ነዚ ግልጽነት ሒዞም ከምዝመጽኡ ኢና ንግምት” ትብል ብርሃን። እዞም ትካላት ናብ ኢትዮጵያ ክመጽኡ ከለዉ ብኣውርኡ ንዝረኽብዎ ረብሓ ኣብ ግምት ብምእታው ከም ዝኾነ ብርሃንን ኣዲስን ሓሳቦም ይገልጹ። እቲ ዕዳጋ ሰፊሕን ፍልጠት ዘለዎም መናእሰይ ብብዝሒ ዝርከቡሉን ስለዝኾነ ይመጽኡ ምህላዎም ይሕብሩ። “ከም በዓልቲ ሞያ ሰብኣዊ መሰላት እቲ ከጋጥም ይኽእል’ዩ ዝብሎ ሓደጋ ናይ ሰባት ውልቃዊ\/ምስጢራዊ ጉዳያት ዝምልከት ውሕስነት’ዩ። ንኣብነት ኢትዮጵያ ሕጊ ሓለዋ ውልቃዊ መረዳእታ [‘ፐርሰናል ዳታ ፕሮቴክሽን’] የብላን። ናይ 100 ሚልዮን ህዝቢ ሓበሬታን መረዳእታን ኣሕሊፍካ ክትህብ ከለኻ ብኸመይ ዝበለ መገዲ እዩ? ብኸመይ ዝበለ ሕጊ እዩ ክምራሕ? ዝብል ወሳኒ ነገር’ዩ” ትብል ብርሃን። እቶም ትካላት ዝተራቐቐ ቴክኖሎጂታት ሒዞም ስለ ዝመጽኡ ነቲ ህዝቢ ብዘይኣገባብ ክብለጹሉ ከም ዝኽእሉ ስክፍትኣ ብምግላጽ፡ ጉዳይ ስለላ እውን ካልእ ዘሻቕል ነገር ከም ዝኾነ ትሕብር። እቶም ኩባንያታት ቅድሚ ምእታዎም እዞም ጉዳያት ክጽንዑን ሕጊ ክወጽኣሎምን ከም ዝግባእ ብምዝኽኻር “መንግስቲ ምስዚ ብዝተኣሳሰር ዘውጽኦ ሕጊ ንረብሓ ህዝቢ ዝሕልው ክገብሮ ኣለዎ” ትብል።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57925858"} {"headline":"ቴክኖሎጂ፡ ማሕበራዊ መራኸብታት ንዓሌታዊ ጥቕዓት ክገትእዎ’ዶ ይኽእሉ?","content":"ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣብ መዛዘሚ ግጥማት ዋንጫ ኣውሮጳ ምስ ጣልያን ኣብ ዝገበረቶ ግጥም ምስተሰዓረት ኣብ ልዕሊ ፍጹም ቅላዕ ዝሰሓቱ ተጻወትቲ ብማሕበራዊ መራኸብታት ዝፍጸም ዓሌታዊ ጥቕዓታት ክስዕብ ከምዝኽእል ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ። ንምዃኑ ንኸምዚ ዝበለ ጥቕዓት መልሲ ክህብ ዝኽእል ቴክኖሎጂ ይህሉ’ዶ ይኸውን? ኩባንያታት ማሕበራዊ መራኸቢ’ኸ ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ገና ናብ ድሕሪት ተሪፈን’ዶ ይኾና? ኣብ ዝጥቅዑ መልእኽትታት ክትትል ክግበርን ምምእኻል ክህሉን ዝደፋፍኡ ርእይቶታት እናበዝሕወን ዝመጽኡ ኩባንያታት ማሕበራዊ ኩባንያ፤ ንትሕዝቶታት ዝቆጻጸሩ ሰራሕተኛታት ብብዝሒ ክቖጽራ ጀሚረን። እቲ ስራሕ ጽዑቕ ምዃኑ ምስተገንዘባ ድማ፡ እቲ ስራሕ ብማሽናት ዝተሓገዘ ክኸውን ገይረን። ኣብዚ ንፌስቡክ ከም ኣብነት እንተወሲድና ምስ ግብረ-ሽበራ ዝተሓሓዝ መልእኽቲ ዘሕልፉ ብዙሓት ትሕቶታት ብኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ክኣልይ ምኽኣሉ ይፍለጥ። ኣብ 2017 ብኣልቃይዳን ጉጅለ እስላማዊ መንግስትን ካብ ዝተጠቅዑ መልእኽትታት ነቶም 99 ሚኢታዊት ካብ ሰባት ጥቆማ ከይበጽሖ ከሎ በቲ ቴክኖሎጂ ተጠቒሙ ኣልይዎም። ኣብዚ ሰሙን ግን ድኹም ጎንታት ቴክኖሎጂ ዝተረኣየ ይመስል። ኣብ ናይ ተጻዋቲ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ እንግሊዝ ቡካዮ ሳካ ትዊተር ገጽ ኣብ ዝተልኣኸ መልእኽቲ፡ ካብ ‘ኢሞጂ’ ዝተወሰደ ምስሊ ህበይ ዝረኣየት ጋዜጠኛ ቢቢሲ ክሪስቲና ክሪደል ናብ ትዊተር ምስ ሓበረት ዝረኸበቶ መልሲ “ቴክኖሎጂና እቲ ርእይቶ ምስ መምርሕታትና ዘይጻባእ ኮይኑ ረኺብዎ’ሎ” ዝብል ነይሩ። እዚ መልእኽቲ ከኣ “ቴክኖሎጂና ምሉእ ኣይኮነን” ናብ ዝብል ዝወስድ’ዩ። ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ግን ዋና ኣፈጻሚ ስራሕ ኢንስታግራም ዝኾነ ኣዳም ሞሰሪ ጌጋታት ከምዝተፈጸሙ ተኣሚኑ። “ንጸብጻብ ዝፍትሽን ዝሰርዕን ቴክኖሎጂ ኣለና፤ ብጌጋ ድማ ብጹም ዘይኮኑ እናሃለዉ ንገሊኦም ርእይቶታት ዘይሓደገኛ ኢልና ሰሪዕናዮም። እዚ ጸገም ሪኢናዮ ኣለና” ክብል ንናይ ክርስቲና ርእይቶ መልሲ ሂቡ። ኣብ ዙርያ ቴክኖሎጂ ዝጽሕፍ ቻርለስ ኣርቸር ግን “እቲ ቴክኖሎጂ ፍጹም ኣይኮነን ምኽንያቱ ዝሰርሕዎ ሰባት ንነብሶም ፍጹም ስለዘይኮኑ” ክብል ንኢንስታግራም ዝውንን ኩባንያ ፌስቡክ ብዙሕ ይጽዕር ኣሎ ዝብል እምነት ከምዘይብሉ ኣረዲኡ። ኣብ ኢሞጂ ዝርከብ ምስሊ ህበይ ናብ ጸሊም ተጻዋቲ ምልኣኽ ብዙሕ ጸገም ከምዘይብሉ ንቴክኖሎጂ ምሕባር ዝነቅፍ ቻርለስ “ኣብ ኮምፒተር ነዚ ጸገም ንምቕያር ኮነ ካልኦት ከምዚኦም ዝበሉ ኣጥቃዕቲ ዝኾኑ ኢሞጂታት ከይለኣኹ ምግባር ልዕሊ ሓደ ሰዓት ዝወስድ ስራሕ ኣይኮነን” ኢሉ። ኣብ ዘጋርዲያን ኣራሚ ንቴክኖሎጂ ዝምልከቱ ጽሑፋት ዝነበረ ቻርለስ ኣርቸር ‘ሶሻል ዋርሚንግ’ ዝብል ርእሲ ዘለዎ መጽሓፍ ጽሒፉ’ሎ። መጽሓፉ ከኣ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዝተፈላለዩ ዋኒናት ዘሕድሮ ጽልዋ ይድህስስ። ነቐፌትኡ ከኣ ብፍላይ ኣብቲ ንነዊሕ እዋን ተጠቀምቲ ንገጹ ከመይ ክብለጹሉ ከምዝኽእሉ ክግንዘብን ከመይ ክቆጻጸሮ ከምዘለዎ ክዳለውን ዘይከኣለ ፌስቡክ የነጻጽር። ፖለቲከኛታት ኣብዞም ዓበይቲ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ጥቡቕ ክትትል ከምዝገብሩ ቃል ብምእታው ጎዳእቲ ዝኾኑ ትሕዝቶታት ካብ ገጾም ብቕልጡፍ ክኣልዩ እንተዘይኪኢሎም ዝቕጽዑሉ ሕጊ ክሳብ ምድላው ከምዝበጽሑ የጠንቅቑ። ገለ ትካላት ነዚ ቅልጡፍ ፍታሕ ዝበልዎ ኣማራጺ ሒዞም ክመጽኡ ይረኣዩ ኣለዉ። ቢል ሚሸል ካብ ቢሲኤስ ዝተበሃለ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ሓደ ሓሳብ ኣካፊሉና። ኩባንያታት ማሕበራዊ ሚድያ ንመንነት ተጠቅምቶም ዘለልዩሉ መገዲ ብዛዕባ ምንዳይ። “እዚ ማለት ከኣ ንጸባያትካ ተሓታቲ ናይ ምዃን ሓላፍነት እንተወሲድካ፤ ንእትብሎ ነገር ሓላፍነት ትወስድ እንተኾይንካ፤ መን ምዃንካ ክንፈልጥ እንተኺኢልና፤ ፍጹም ፍንፉንን ተቐባልነት ዘይብሉን ነገር እንተፈጺምካ ከምዚኦም ዝበሉ ድልየታትካ ከይትፍጽም ዝኽእልክል ይኸውን” ክብል የረድእ። ገለ ኣባላት ቢሲኤስ ግን ነዚ ሓሳብ ዘይቅበሉሉ ምኽንያት ከቐምጡ ከለዉ፤ ብኩባንያታት ማሕበራዊ መራኸቢ ዝጥለቡ መዘወሪ መኪና ፍቓድን መለለዩ መንነት [ታሴራ] ንዘይብሎምን ሰባት ዘጓንይ ከምዝኸውን ይገልጹ። ማሕበራዊ መራኸብታት ንፈለማ ኣብ ዝተላለዩሉ እዋን ኣብ ሞንጎ ፖለቲከኛታትን መረጽትን፤ ፍሉጣት ሰባትን ደገፍቶምን ብማዕረ ክራኸቡ ዘኽእል ሓድሽ ምዕራፍ ዴሞክራሲያዊ ርክባት ከምዝፈጥር ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ። እዚ ሕልሚ ብምቕሃሙ ግን እቲ ደሓን ዝነበረ ተመሪዙ፤ ነገራት ብኸመይ ዝሓሹ ምግባር ይከኣል ኣብ ዝብል ምርድዳእ ተሳኢኑ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57873224"} {"headline":"ኬንያ፡ ተኸፈልቲ ጸለውቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝፈጥሩዎ ዘለው 'ኲናት'","content":"ኣብ ኬንያ ጸለውቲ ዝኾኑ ፍሉጣት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር፡ ኮነ ኢሎም ግጉይ ሓበሬታ ንምውዛዕ ይክፈሎም ከም ዝነበረ ተፈሊጡ። እዚ ስልቲ ምስ ቅዲ ኲናት ደባይ ውግእ ዝመሳሰል'ዩ ክትብል ነዚ ጠጠው ኣብ ምባል ኣብ ዝተወደበ ሕጋዊ ጉጅለ ኣባል ዝኾነት ተሓላቒት ትዛረብ። ዴይሲ ኣምዳኒ ኣብ ክሲ ቤት ፍርዲ ብዛዕባ ዘጋጠሞም ክትዛረብ እንከላ \"ላሕ ኢልካ ክሳብ እትደክም ኣብ ልዕሌኻ'ውን'ዩ ዝበጽሕ\" ክትብል ትገልጾ። እቲ ክብሪ ውልቀሰባት ንምጽላም ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ብዙሓት ካብዚ ጎስጓስ ክወጽኡ ከም ዝገብሮም'ውን ትዛረብ። \"ብውሑድ ሰለስተ ሰባት ብምኽንያት እቲ ዝበጽሖም ዝነበረ መድሃልትን ወፍሪ ግጉይ ሓበሬታን ዕረፍቲ ክወስዱ ተገዲዶም'ዮም\" ኢላ። ሞዚላ ፋውንዴሽን ዝተባህለ ውልቀ ትካል 'Inside the shadowy world of disinformation for hire in Kenya ብዝብል ርእሲ መጽናዕቲ ኣካይዱ ኣሎ። እዚ፡ ዘይተፈልጡ ከፈልቲ እቲ 'ቢቢኣይ' ብዝብል ዝፍለጥ ብመንግስቲ ዝድገፍ ረቒቕ ኣዋጅ ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲ ንምሕጋዝ ዝግበሩ ጎስጓሳት ዝድግፉ ሰራዊት ኣብ ትዊተር ከም ዘዋፈሩ የርኢ። ጉሕለት ሃሽታግ [Hashtag heist] ብመሰረት ካብ ወርሒ ግንቦት ክሳብ ሰነ 2021 ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ እዞም ውልቀሰባት ኣብ ትዊተር ብቐጥታ ጋዜጠኛታት፣ ዳያኑን ተሓለቕቲ መሰላትን ንከጥቅዑ ተኸፊሉዎም። ትዊተር፡ ኣብዛ ኣብ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ዝለዓለን ኣብ ኢንተርነት ንጡፍ ዝኾነን ህዝቢ ዘለዋ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኬንያ ክፍተን ምርኣይ ሓድሽ ኣይኮነን። ኣብ ትዊተር፡ ኬንያውያን ተጠቀምቲ ኢንተርነት ብሓፈሻ #ኮት (#KoT) ተባሂሎም'ዮም ዝጽውዑ። እቲ መጽናዕቲ እዚ ግጉይ ሓበሬታ ናይ ምውዛዕ ምንቅስቓስ ኣኽሳቢ ከም ዝኾነ የመልክት። እቶም ፖለቲካዊ ጸለውቲ ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ዝውደብ ጎስጓስ መዓልታዊ ካብ 10 ክሳብ 15 ዶላር ተኸፊሉዎም ከም ዝሳተፉ የርኢ። ገለ ጸለውቲ ደረጅኦም ሓፍ ኢሉ ወርሓዊ ክሳብ 250 ዶላር ይኽፈሎም። እቲ ኽፍሊት ብቐጥታ ናብ ሞባይሎም [ኤምፔሳ] ይፍጸም። ቢቢሲ ቃለ መጠይቕ ዝገበረሎም ጸለውቲ መን ከም ዝኸፍሎም ክዛረቡ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን። ግን ድማ ሓደ ነቲ መጽናዕቲ ርኢይትኡ ዝሃበ ውልቀሰብ ሓሓሊፉ እቲ ገንዘብ ቅድሚ እቲ ጎስጓስ ገለ ሻብ ድማ ድሕሪኡ ከም ዝመጽእ ገሊጹ። እቶም ብድሕሪ እዚ ጎስጓስ ዘለው ሰባት ትሕዝቶን ዝርዝር መምርሒታትን ንምልኣኽ ናይ ዋትሳፕ ግሩፕ ይጥቀሙ። በዚ መሰረት እቶም ውልቀሰባት እቲ ዝልጥፉዎ ትሕዝቶ ብብዝሒ ኣብ ትዊተር ዝዘውር ንክኸውን [ትረንድ ዝገብር] ይገብሩ። እቲ ዕላማ፡ እቶም 'ትረንድ' ዝገብሩ ዘለው ሓሳባት ገዛእቲ ከም ዝኾኑ ኣምሲልካ ሰባት ንምትላል ከም ዝኾነ እቲ መጽናዕቲ ይሕብር። እዚ ልክዕ \"ዝተኸፍሎም ሰልፈኛታት ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ምስታፍ'ዩ\" ብምባል ይገልጾ። ትዊተር'ውን ኣብቶም ዝውዝዑ ግጉይ ሓበሬታታት መወዓውዒ ብምቕማጥ መኽሰብ ይረኽብ'ዩ ዝብል ክሲ ይቐርበሉ። ኣብ ኬንያ መወዓውዒታት ትዊተር ዝሸይጥ ኤጀንሲ ኣብቶም ትረንድ ዝገብሩ ጽሑፋት መዓልታዊ 3500 ዶላር ንክኸፍል ጠለብ ኣቕሪቡ ነይሩ ክብል እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ። ትዊተር ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ \"እቲ ኣብ ጸብጻብኩም ዝተጠቕሰ ምንቅስቓስ ክፍሊት ብናጻ ኣካል ከነረጋግጾ'ኳ እንተዘይክኣልና ብውሑድ ዝተዋደዱ መጥቃሚታት ከም ዘለው ግን ከነረጋግጽ ክኢልና ኢና\" ኢሉ። በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ኬንያ በቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ጸለውቲ ብዝኾኑ ዝንቀሳቐሱ 100 መጥቀሚታት ትዊተር ተዓጽዮም ኣለው። እዚ ንፖሊሲታት እቲ ትካል ዝጥሕሱ'ዮም ብዝብል ዝተወስደ ስጉምቲ'ዩ። እንተኾነ ኣብታ ሃገር ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ዳያኑ ዝተኸፍተ መጥቃዕቲ፡ ንዘይሻራውነቶም ዝፈታተን ነበረ። እዚ #AnarchistJudges፣ #JudiciaryRevenge፣ #JudicialPayback ከምኡ'ውን #Justice4Sale ብዝብሉ ናይ ትዊተር ሃሽታጋት ዝተኸፍተ ወፍሪ እዩ። ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቅድሚ ምውሳኑን ድሕሪ ምውሳኑን በብክልተ መዓልቲ ብማእከላይ ሓደ ግጉይ ሓበሬታ ክውዛዕ ተገይሩ'ዩ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ ድማ ዳያኑ፡ እቲ ብ 'ቢቢኣይ' ዝፍለጥ ረቒቕ ኣዋጅ ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲ 'ዘይሕጋዊ፣ ዘይስሩዕን ዘይሕገመንግስታውን' እዩ ኢሎም። ይኹን'ምበር፡ ሕጂ'ውን ዓቃቢ ሕጊ ምስ ላዕላይ ቤት ፍርዲ ኣብ ክትዕ'ዩ ዝርከብ። እዚ ጉዳይ፡ ዝተመስርሐ ስእሊ እቶም እቲ መስርሕ ሕገ መንግስታዊ ኣይኮነን፣ ኣበር ኣለዎ ኢሎም ዝካትዑን እቲ ምምሕያሽ ጠጠው ንክብል ዝሰርሑን ኣብ ትዊተር ብምዝርጋሕ'ዩ ጀሚሩ። ኣምዳኒ፡ ሓንቲ ካብ ሞንጎ እቶም ምንቅስቓስ ሊንዳ ካቲባ [ብስዋሂሊ \"እቲ ሕገ መንግስቲ ንሓሉ\"] ስለ ዝኾነት፡ ኣብቲ ኣብ ትዊተር ዝግበር ወፍሪ \"ብዛዕባ ሰላም ዘይግደሱ'ዮም ኢሎም የውግዑልና\" ትብል። ወሲኻ፡ \"ሃገር ንምንዓብ ብሃገራት ወጻኢ ዝተላእኹ፣ ሓላፍነት ዘይስምዖም፣ ክፉኣት፣ ረበሽቲ እዮም ዝብሉና። መብዛሕትኡ ኣብ ልዕሌና ጽልኣት ንምልዕዓል ተጠቒሞምሉ\" ኢላ። ብተወሳኺ፡ እቶም ተሓለቕቲ ብቐንዲ ተቓዋሚ ቢቢኣይ ዝኾነ ምኽትል ፕሬዝደንት ዊልያም ሩቶ ዝምወሉ'ዮም ተባሂሎም። ተበግሶ ምህናጽ ድልድል [Building Bridges Initiative] ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ድሕሪ ዝተኻየደ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ካብ ዝነበረ ምልውዋጥ ሰላምታ ክልተ ተነሓናሕቲ'ዩ ዝብገስ። ኣብቲ እዋን፡ ፕሬዝደንት ኡህሩ ኬንያታን ተነሓናሒኡ ራይላ ኦዲንጋን ድሕሪ ሕጂ ንመረጻ ስዒቡ ብዘጋጥም ዓሌታዊ ጎንጺ ብዙሕ ሰብ ይጉዳእ ስለ ዘሎ ካብ ዓሌታዊ ፖለቲካ ንውጻእ፣ ንሰላም ድልድል ንፍጠር ብዝብል ኢድ ንኢድ ተጨባቢጦም ነይሮም። እዚ ሕጂ ቢቢኣይ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲ ድማ፡ ኣብ መንግስታዊ መሓውር እታ ሃገር ሕጂ ዘየለ መሓውር ቐዳማይ ሚኒስተር ብምትእትታው ኣብ ሞንጎ እቲ ቐዳማይ ሚኒስተርን እቲ ፕሬዝደንትን ምምቕራሕ ስልጣን ክህሉ ዝጠልብ እዩ። እዚ እቲ ሕጂ ምኽትል ፕሬዝደንት ዘሎ ዊልያም ሩቶ ኣይቕበሎን። ጸብጻብ ሞዚላ ፋውንዴሽን፡ እቲ ዝውዛዕ ግጉይ ሓበሬታ ሰባት ኣብ መስርሕ ፍርዲ ቢቢኣይ ብዛዕባ ዝህልዎም ሓሳብ ጽልዋ ኣሕዲሩ'ዩ ዝብል ዝረኸቦ መረዳእታ ውሑድ'ዩ። ይኹን'ምበር፡ እቶም ገንዘብ ዝኽፈሎም ጸለውቲ ኣገደስቲ ድምጺታት ኣብ ትዊተር ካብ ዝካየድ ክትዕ ወጻኢ ንክኸውን ገይሮም'ዮም። ካብዚ ብዝብገስ እቶም ስቪል ተሓለቕቲ ኣብቲ ማሕበራዊ ሚዲያ መጺኦም ሓሳቦም ንምስፋር ርእሰ ምምያ ክገብሩ ተገዲዶም። \"ኣብ ሓደ እዋን ጥዑይ ልዝባት ዝካየደሉ ዝመስል ዝነበረ መድረኽ ሕጂ ሙሉእ ንሙሉእ ተበኪሉ'ዩ\" ክብል ሓደ ነጣፊ ትዊተር ጽሒፉ። በዚ እትሰማማዕ ኣምዳኒ'ውን፡ ቅድም ኢሉ ናይ ትዊተር መጥቀሚኣ ንምጥፋእ ወሲና ከም ዝነበረት ገሊጻ። እንተኾነ ሓላፊት ኣብ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዝነጥፍ ትካል ስለ ዝኾነት ክትጸንሕ መሪጻ። ከምዚኦም ዝበሉ ጉዳያት ግን ኣብ ልዕሊ ወርሒ ነሓሰ 2022 ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ዘሎ መረጻ ሳዕቤን ከየሕድሩ ይስጋእ። ቅድም ኢሎም ኣብ ዝተኻየዱ መረጻታት ዋጋ ዝተኸፍሎም ጎንጺታት ተራእዮም'ዮም። ትዊተር ግን፡ ኣብታ ሃገር ዝሓሸ ፖለቲካዊ ክትዕ ንክካየድ ዘኽእል ባይታ ዘመቻችአ ነይሩ። ትዊተር \"እቲ ሕጂ ዝርኣይ ዘሎ ሕመቕ ኣብቲ መድረኽ ክጣጥሕ ብምፍቓዱ ኣብ ኢዱ ደም ክህልዎ ይኽእል\" እዩ ክብል የጠንቅቕ። ክኢላ ማሕበራዊ ሚዲያ ሳሙኤል ካማኡ ነገራት ከም ዝተቐየሩ ይምጉት። \"ኣብ መጀመርታ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ ምሕዋይ ዴሞክራሲ ተራ ተጻዊቱ። ድሕሪ ግዜ ግን ሰባት በዚ ኣቢሎም ኣተሓሳስባ ሰባት ክጥምዝዙ ከም ዝክእሉ ተማሂሮም። እቲ ሕቶ ሕጂ ማሕበራዊ ሚዲያ ንዴሞክራሲ ጽቡቕ ድዩ ዝብል'ዩ\" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ሓደ ካብ ጽሓፍቲ እቲ ጸብጻብ ብሪያን ኦቢሎ፡ ትዊተር ኣብ ከም መረጻ ዝበሉ ዓበይቲ ፍጻሜታት ብዝሒ ዝዘዋወሩ ጽሑፋት ጠጠው ክብሉ ምግባር ሓደ መፍትሒ'ዩ ይብል። ብተወሳኺ \"ትዊተር ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝኾነ ዛዕባ ገዛኢ ርእሲ ቅድሚ ምዃኑ ዘመምዩ ሰባት ክቖጽር ይኽእል\" ኢሉ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58551848"} {"headline":"ብዘይ መራሒ' ትሕምበብ ዝነበረት መኪና ተስላ ብዘጋጠማ ሓደጋ ክልተ ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ቴክሳስ፡ ብዘይ መራሒ ትሕምበብ ዝነበረት ተስላ ዝዓይነታ መኪና ምስ ገረብ ድሕሪ ምግጫዋ ብምቅጻላ ክልተ ሰባት ሞይቶም። እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ እዋን ኣብ ናይ መራሒ መኪና ስፍራ ዝተቐመጠ ሰብ ከም ዘይነበረ ፖሊስ ሓቢሩ። እታ ብልዑል ፍጥነት ትጓዓዝ ዝነበረት ናይ 2019 ሞዴል ኤስ ዝዓይነታ ተስላ፡ ኣብ ኩርቫ ብዘይምጥዋያ እያ ምስ ገረብ ተጋጭያ። እቶም ግዳይ ኮይኖም ዘለው ሰባት ክልቲኦም ኣብ 50ታት ዕድመ ዝርከቡ ኮይኖም፡ እቲ ሓደ ኣብ ቅድሚት ኣብ ናይ ተሳፋሪ መንበር እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ናይ ድሕሪት መንበር እዮም ተረኺቦም። ኮንስታብል ማርክ ሀርማን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዛጊት ተረኺቡ ብዘሎ መረዳእታ፡ \"ኣብ እዋን ምግጫው ነታ መኪና ዝዝውራ ሰብ ኣይነበረን\" ኢሉ። ቢቢሲ ካብ ቴስላ ርእይቶ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይተዓወተን። እታ መኪና እቲ ተስላ ዘማዕብሎ ዘሎ 'ኣውቶፓይለት' ማለት መኪና ብዘይ ዘዋሪ ትንቀሳቐስ እንተነይራ ኣይተነጸረን ኣሎ። ብመፍረ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ዝፍለጥ ኩባንያ ተስላ ብዘይ መራሒ መኪና ባዕለን ዝዝወራ መካይን ኣብ ምምዕባል ክሰርሕ ጸኒሑ እዩ። ዋና ኣካያዲ ስራሕ ተስላ ኢሎን መስክ፡ ኣብዚ ዓመት \"ምሉእ ብምሉእ ባዕለን ዝዝወራ\" መካይን ናብ ዕዳጋ ከቕርብ ተሊሙ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግና ሃገራዊ ምሕደራ ውሕስነት ትራፊክ ኣሜሪካ፡ ኣብ 27 ሓደጋታት መካይን ተስላ መርመራ ጀሚሩ። ምስ'ዚ ኣብ ዝዛመድ ፍጻመ ብሰኑይ ኣብ ምርኢት መካይን ሻንጋይ ቻይና ሓንቲ ወናኒት ተስላ \"ኣብ ልጓም ጸገም ኣሎ\" ብዝብል ናይ ተቓውሞ ድምጻ ንምስማዕ ኣብ ልዕሊ መኪና ደዪባ ከም ዝተርኣየት ብሉምበርግ ጸብጺቡ። እተን ሞዴል ኤስ ዝዓይነተን መካይን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ባርዕ ኣጋጢምወን እዩ። ኣብ 2018 ሚካኤል ሞሪስ ዝተባህለ ብሪጣንያዊ ናይ ቴለቪዥን ዳይሬክተር ዝዝውራ ዝነበረ ተስላ ክትቃጸል እንከላ፤ ኣብ 2016 እውን ኣብ ፈረንሳ ሞዴል ስ ተመሳሳሊ ጸገም ኣጋጢምዋ እዩ። ኣብ 2013 ብርክት ዝበላ ተስላ ሞዴል ኤስ ባርዕ ኣጋጢምወን እዩ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56810361"} {"headline":"2020፡ ዓለም ዘበነ ኦንላይን","content":"ኣብ 2020 ብሰንኪ ዘጋጠመ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ህዝብታት ዓለም መዓልታዊ ንጥፈታቶም ብኦንላይን ክፍጽሙ ዝተገደድሉ ፈታኒ ዓመት ኮይኑ ይሓልፍ ኣሎ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55447316"} {"headline":"ቻይና፡ መሸጣ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ቻይና ንቴስላ በሊጹ","content":"መሸጣ ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ቻይና፡ ኣብ ዕዳጋ ልዑል ጠለብ ንዘለወን መካይን ቴስላ ከም ዝበለጽአን ተገሊጹ። ዋጋ እዘን መካይን ኣብ ቻይና ብ4 ሽሕን 500 ዶላር'ዩ። መሸጣ እዘን ሆንግ ሁዋንግ ሚኒ ኢቪ ዝብል ሽም ዝተዋህበን መካይን ምዕባዩ፡ ኣብ ትሕቲ ክትትል መንግስቲ ንዝርከብ ኣፍራዪ መኪና ሳይክ ሞተር ዓብዪ ዓወት'ዩ። ኣመሪካዊ ኣፍራዪ መካይን ጀነራል ሞተርስ ምስ ሳይክ ሞተርስ ብምትሕብባር ዘፍረዩወን መካይን እየን። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እዘን ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ዕጽፊ መሸጣ ቴስላ ከመዝግባ እንከለዋ፡ ኣብ ጉዳይ ድሕነት እዘን መካይን ግን ሕቶታት ይለዓሉ ኣለው። ኣፍራዪ ኩባኒያ ሆንግ ጉዋንግ ሚኒ፡ ኣብ ቀረባ ኣብ ውሽጢ እዘን መካይን መዝሓሊ ኣየር ብምግጣም ሓሙሽተ ሽሕ ዶላር ዝሽየጣ መካይን ናብ ዕዳጋ የቕርብ ኣሎ። እዚአን ዝኾነ ሰብ ንኣገልግሎት መጓዓዝያ ክጥቀመለን ዝኽእልን ምቹኣትን ምዃነን'ውን ይገልጽ። ነዘን መካይን ምስ ምህርታት ቴስላ ዘነጻጸሩወን ክኢላታት፡ ብባትርን ዓቕምን ድኽም ዝበላ እንተኾና'ውን፡ ዋግአን ሕሳርን ምቹኣትን ስለ ዝኾና ግን ብዝለዓለ መጠን መሸጥአን ክውስኽ ክኢሉ'ዩ ይብሉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ዕዳጋ ዓለም ዝኣተዋ እዘን መካይን፡ ብማእከላይ ኣብ ሰዓት 100 ኪሎ ሜትሮ ዝጉዓዛን ኣርባዕተ ሰብ ጥራሕ ዝሕዛን እየን። \"መንግስቲ ቻይና ብኽለት ኣየር ንምንካይ ዘለዎ ተበግሶ ልዑል ኮይኑ፡ ኣብ ዓለም'ውን ምህዞን ሳይንስን ብምጥቃም ዝተሰርሑ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሑ መካይን ብምልላይ ቀዳምነት ክሕዝ ድልየት ኣለዎ\" ይብል ዳይሬክተር ምርምር ዕዳጋታት ቻይና ሻውን ሬይን። እዘን መካይን ብብዝሒ ንምልላይ መንግስቲ ቻይና ሰሌዳ ቑጽሪ ብናጻ ይዕድል ኣሎ። ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ብነዳዲ ዝሰርሓ መካይን ቑጽሪ ሰሌዳ ንምርካብ ኣዋርሕ ከምኡ'ውን ዓመታት ከም ዝወስደለን ይዝረብ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/56192534"} {"headline":"ሄይሌይ ኣርሴኖ፡ ካብ ሕማም መንሽሮ ዓጽሚ ሓውያ ንጠፈር ትጓዓዝ ዘላ ፈላመይቲ ጓል-ኣንስተይቲ","content":"ፈላመይቲ ውጻእ መዓት መንሽሮ ዓጽሚ ከምኡ'ውን ፈላመይቲ ብሰብ ዝሰረሖ ኣካል ናብ ህዋ እትበጽሕ ሰብ እያ። ብተወሳኺ እታ ብዕድመ ዝነኣሰት ኣብ ዑደት መሬት እትሳተፍ ኣመሪካዊት ጓል ኣንስተይቲ እያ። ጓል 29 ዓመት ተሓጋጋዚት ሓኪም ሄይሌይ ኣርሴኖ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2021 ኣካል እቲ ፈላሚ ሲቪላውያን ጥራሕ ዝለኣኽሉ ዓለምለኻዊ ጉዕዞ ህዋ ክትከውን ተሓርያ። \"ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ሚስጢር ገይረዮ ዝጸናሕኩ ጉዳይ ሕጂ ንዓለም ከካፍሎ እየ\" ትብል። ኣብቲ ህጻን እንከላ ሕምምቲ መንሽሮ ኮይና ዝተሓብሐበትሉን ሕጂ ትሰርሐሉ ዘላን ኣብ ቴኔሲ ዝርከብ ሆስፒታል ናይ ቅዱስ ጁድ ሆስፒታል ምርምር ህጻናት፡ ነዚ ታሪኻዊ ጉዕዞ ከም ዝተሓረየት ተበሲራ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኣብዚ ዓመት ፍርያት ስፔስ ኤክስ ብዝኾነት ፋልኮን ትሸዓተ ሮኬት ካብ ፍሎሪዳ ናብ ህዋ ክትጉዓዝ'ያ። \"እዚ ልኡኽ ብዝተፈላለየ መልክዑ ንሰባት ዘተባብዕ ይመስለኒ፤ ኩሉ ነገር ከም ዝክኣል ከርእዮም'ዩ\" ትብል። ኣብዛ ሓሙሽተ ሰባት እትሕዝ ተወንጫፊት ሮኬት፡ ዋላ ሓደ ክኢላ ጠፈርተኛታት ኣይክህሉን'ዩ። እንታይ ድኣ፡ ሄይሌይ ኣርሴኖን ካልኦት ክልተ ተዓወትቲ ነዚ ጉዕዞ ዝተገብረ ውድድር ከምኡ'ውን ኮማንደር በረራ ጃሬድ ኢሳቅማን ጥራሕ'ዮም ክጉዓዙ። ወዲ 38 ዓመት ቢልየነር ጃሬድ ኢሳቅማን ኣብ መላእ እቲ ፕሮጀክት ወሳኒ ግደ ዝጻወት ዘሎ ሰብ'ዩ። በዚ ጉዕዞ ኣቢሉ ነቲ ሆስፒታል ዝኸውን 200 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ከተኣኻኽብ መደብ ኣለዎ [ፍርቂ እቲ ሓገዝ ገንዘብ ባዕሉ ከም ዘወፊ ይዛረብ]። \"መጀመርታ እዚ ጉዕዞ ክሓስብ እንከለኹ ጀሚሩ፡ ኣባል እዚ ልኡኽ ናይ ተስፋ መንፈስ ዘለዎ ክኸውን ከም ዘለዎ ድልየት ነይሩኒ። ካብ ሄንሌይ ወጻእ ከኣ ካልእ ክሓስብ ኣይክኣልኩን\" ይብል። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እዚ ጉዕዞ ንሄይለይ'ውን ኣይክኣልን ዝብሃል ነገር ከም ዝክኣል እተርእየሉ ኮይኑ'ዩ። ቆልዓ 10 ዓመት እናሃለወት፡ ኣብ ሆስፒታል ቅዱስ ጁዲ ተሓካሚት መንሽሮ ዓጽሚ ነይራ። ሕክምና ኬሞቴራፒ እናወሰደት ኣዕጽምቲ ሓደ እግራ ብመጥባሕቲ ብሰብ ሰራሕ ክትክኡ ተገይሩ። \"እዚ ጉዕዞ ክሳብ ዝሕሰብ፡ ጠፈርተኛ ክኸውን ኣይኽእልን ነይረ። እዚ፡ ሙሉእ ኣካላዊ ጥዕና ንዘይብሎም ሰባት ናብ ህዋ ዝጉዓዝሉ መገዲ ዝኸፍት'ዩ\" ትብል። ብ5 ጥሪ ኣካል እዚ ልኡኽ ክትኾኒ ድልየት ኣለኪ'ዶ? ተባሂላ ዝተሓተተት ሄንሌይ፡ ሓደን ክልተን እንከይበለት \"እወ\" ዝብል ምላሽ እያ ሂባቶም። ኢንጅነራት መጓዓዝያ ህዋ ዝኾኑ ሓዋን በዓልቲ ቤቱን ከኣ \"ናብ ህዋ ዝግበር ጉዕዞ ውሑስ\" ምዃኑ ኣረጋጊጾምለይ ትብል። ኣብዚ ሕጂ እዋን ቢልየነር ኢሳቅማን ካልኦት ክልተ ኣባላት ኣብ ምሕራይ ይርከብ። ኣባላት እዚ ጉጅለ ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ኣብ ባዶ ስሕበት ከመይ ትጸንሕ ዝብሉን ካልኦትን ስልጠናታት ክወሃቦም'ዩ። ሄይሌይ ከኣ ናይቲ በረራ ሓላፊት ጥዕና ክትከውን እያ። ድሮ እቲ ናይ ህዋ ክዳን ተኸዲና ስምዒታት እንታይ ይመስሉ ክተስተብህል ጀሚራ ኣላ። \"ደስ ይብል፤ ግን ካብ ዝተጸበኹዎ ንላዕሊ ከቢድ'ዩ። ቁሩብ ተረቢሸ ኣለኹ፤ ግን ከኣ እቶም ኢንጅነራት ብዙሕ ግዜ ስለ ዝረኸብኩዎም እተኣማመነሎም'የ\" ትብል። ምስቲ ብቑልዕነታ ዝሓለፈቶ ክነጻጸር እንከሎ ግን እዚ ዋላ ሓደ ጸገም ዘለዎ ኮይኑ ኣይርኣያን። \"ሕክምና መንሽሮ ክትወስድ ከለኻ፡ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ትቐጽራ። መጻኢ ዝብሃል ነገር ምሕሳብ ከቢድ'ዩ። ኣብዚ ሰዓት ንሕሙማትን ተሓከምትን መንሽሮ ወኪለ ኣብዚ ልኡኽ ምስታፈይ ክብሪ ይስምዓኒ። እዚ ኸኣ ብዛዕባ መጻኢኦም ክሓስቡ ክገብር እዩ\" ኢላ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/56165082"} {"headline":"ኢትዮጵያ ትፍትኖ ዘላ ንደበና ናብ ዝናብ ዝቕይር 'ቴክኖሎጂ'","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ትማሊ ሰሉስ ንወከልቲ ህዝቢ፡ ኢትዮጵያ ንደበና ናብ ዝናብ [ዝናም] ዝቕይር ትፍትኖ ዘላ 'ክላውድ ሲዲንግ' ዝተሰመየ ቴክኖሎጂ ተግባራዊ ይኸውን ከምዘሎ ሓቢሩ ነይሩ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እቲ ቴክኖሎጂ ፈተነታት ይግበረሉ ከምዘሎን ኣብ ቀረባ መዓልታት ብወግዒ ከምዝግለጽን ነቶም ወከልቲ ህዝቢ ገሊጽሎም። ብዝሒ ህዝቢ ይውስኽ ስለዘሎን ማዕሪኡ ኸኣ ጠለበ ንሕርሻ ዝኸውን መሬት ይውስኽ ስለዘሎ እቲ ንደበና ናብ ዝናም ዝቕይር ቴክኖሎጂ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣረዱኡ። እዚ ቴክኖሎጂ እዚ ብፍላይ ምድረ በዳን ኣብ ዝኾናን ባህርያዊ ዝናም ኣብ ዝሓጽረንን ሃገራት ዝፍተን ዘሎ ኮይኑ፡ ብተግባር ዝሰርሓሉ ሃገራት ከምዘለዋ ይፍለጥ። 'ክላውድ ሲዲንግ' ካብ ደበና ዝናብ ወይ በረድ ከም ዝዘንብ ዝገብር ኣገባብ ኮይኑ፡ ተመራመርቲ ሲልቨር ኣዩዳይድ፡ ፖታሽየም ኣዩዳይድ ከምኡ'ውን ካልኢት ጥረ ነገራት ተጠቂምካ ዝትግበር ምዃኑ ይሕበሩ። እዞም ዝተጠቐሱ ጥረ ነገራት ኣብቲ ደበና ዘለዎ ቦታ ብምንጻግ ነቲ ደበና ናብ ዝናም ናይ ምቕያር ተኽእሎ ከምዝፈጥር ኸኣ ተመራመርቲ ይሕብሩ። እቶም ጥረ ነገራት ካብ መሬት ናብ ሰማይ ብምትኳስ ወይ ብነፈርቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ደበና ብምንጻግ እቲ ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ ዝተኣከበ ደበና ዝናም ወይ በረድ ኮይኑ ናብ መሬት ከምዝወርድ ይግበር። እቲ ኣብ ሰማይ ዝተኣከበ ደበና ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ ዝናም ምስዘይከውን ሰብ ብዝሰረሖ መንገዲ ዝናብ ዝቕየረሉ ኣገባብ መጠን ዝናብ ካብ 10 ክሳብ 15 ሚኢታዊት ክብ ናይ ምባል ዓቕሚ ከምዘለዎ ኸኣ መጽናዕትታት ይሕብሩ። እዚ ኣገባብ እዚ ካብ 1940ታት ጀሚሩ መጽናዕቲ ክካየደሉ ከምዝጸንሐ ሰነዳት ይሕብሩ። እዚ ቴክኖሎጂ ካብ ዝተፈተነሉ ሓደ ኣጋጣሚ ኣብ 2008 ኣብ ቻያና ውድድራት ኦሎምፒክ እናተኻየደ እንከሎ እዩ። እታ ሃገር፡ ኣብ መኽፈትን መዕጸውን እቲ ውድድር ዝናብ ከይዘንብ እዚ ኣገባብ እዚ ተጠቂማ ከምዝነበረት ይግለጽ። መንግስቲ ቻይና፡ ኩነታት ኣየር ንምቕያር ቴክኖሎጂ ደበና ናብ ዝናም ናይ ምቕያር መስርሕን ካብ ዝሰርሕሉ ዘለዉ መንግስታት ሓደ እዩ። እዚ ቴክኖሎጂ እዚ ኣብ ውሑዳት ከተማታት ቻይና ክፍተን ዝጸንሐ ኮይኑ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ግን ብደረጃ ሃገር ክትግር ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ቻይና ከተተግብሮ ጀሚራ ዘላ ቴክኖሎጂ ንደበና ናብ በረድ ናይ ምቕያር'ውን ዘካተተ ኮይኑ፡ እዚ ኣገባብ እዚ ኣብ ቻይና ክሳብ 2025 ኣብ ዘሎ ግዜ ብኸምዚ ኣገባብ 5.5 ሚልዮን ትርብዒት ኪሎሜተር (60 ሚኢታዊት ካብ ጠቅላላ መሬት ቻይና) ብምሽፋን ውጥን ተታሓዚሉ ኣሎ። እዚ ኣገባብ እዚ ኣብ ገለ ትሕተ ሳህራ ዝርከባ ሃገራት'ውን ይፍተን ኣሎ። ነዚ ቴክኖሎጂ እዚ ካብ ዘተግበራ ዘለዋ ሃገራት ኒጀር ሓንቲ እያ። ኣውስትራልያ'ውን ነዚ ኣገባብ እዚ ብዕቱብ ካብ ዝሰርሓሉ ዘለዋ ሃገራት እያ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነዚ ኣገባብ እዚ ዝጥቀማ ካብ ዘለዋ ሃገራት ሓንቲ እያ። እዚ ቴክኖሎጂ እዚ ኣብ ተግባር ካብ ዝውዕል ብውሕዱ ዓሰርተ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ፡ ትካላት ኣፍረይቲ ነፈርቲ'ውን ነዚ መዓላ እዚ ዝውዕላ ኣብ ደበና ቀመማት ዝነጽጋ ነፈርቲ ኣብ ምፍራይ ይርከባ። ኣብ 2014 ብዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ልዕሊ 200 ነፈርቲ ነዚ መዓላ እዚ ተባሂለን ከምዝተሰረሓ ይጠቅስ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56506413"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ንተንቀሳቓሲ ስልኪ ናብ ንኡሽቶ ባንኪ ዝቕይር 'ቴሌ ብር'","content":"ድሕሪ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣስቤዛ ሸሚትካ፣ ኣቑሑት ገዚእካ ወይ ናይ ኣገልግሎት ክፍሊት ንምፍጻም ደሊኻ ምራቕካ ቱፍ ቱፍ ኢልካ ገንዘብ ምቑጻር ዝተርፍ ይመስል። ዕድጊት ምስ ፈጸምካ ''ቁጽሪ ሞባይልኪ\/ካ እስኪ ንገርኒ\/ንገረኒ'' ኢልካ ብተንቀሳቓሲ ስልክኻ ክፍሊት ክትፍጽም ትኽእል። ብሓጺሩ ስልክኹም፡ ሓደ ባንኪ ዝህቦ ኣገልግሎት ክህብ ይኽእል እዩ ማለት እዩ። ከመይ? ጎረቤት ኢትዮጵያ ዝኾነት ኬንያ፡ ቅድሚ 14 ዓመታት ዝጀመረቶ 'ኤምፔሳ' [MPESA] ዝተባህለ ስርዓት ገንዘብ ሞባይል፡ ኣብዚ እዋን 72 ሚኢታዊት ህዝቢ እታ ሃገር ከም ዝጥቀመሉ ሓበሬታ ቮክስ ዝተባህለ ድረ ገጽ የመልክት። ኣብ ሸውዓተ ሃገራት ኣገልግሎት ዝህብ 'ኤምፔሳ' 42 ሚልዮን ንጡፋት ዓማዊልን 400 ሽሕ ወኪላትን ኣለዉዎ፡፡ 50 ምኢታዊት ዓመታዊ ሓፈሻዊ ምህርቲ (GDP) ኬንያ፡ በዚ ስርዓት ኣቢሉ ይንቀሳቐስ። ካብ ጠቕላላ በዝሒ ህዝቢ ኡጋንዳ፡ ናይ ባንኪ ሒሳብ ዘለዎም 11 ምኢታዊት ኮይኑ፡ ኤምፔሳ ዝጥቀም ህዝቢ ግን ልዕሊ 42 ሚኢታዊት እዩ። ስለዚ ኣብዘን ሃገራት ድሕሪ ምትዕድዳግ፡ 'ስልኪ ቁጽርኺ\/ኻ ንገርኒ\/ንገረኒ' ምባል ዝተለመደ እዩ፡፡ ብሰሉስ 3 ግንቦት 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ወግዓዊ ዝኾነ ቴሌብር እውን ኣብ ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ንምሃብ ዝዓለመ እዩ፡፡ ኣገልግሎት ሞባይል ገንዘብ ኢትዮጵያ- 'ቴሌብር' ምስ ቢቢሲ ጻንሒት ዝገበረት ዋና ፈጻሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍረ ህይወት ታምሩ፡ እቲ ትካል ዘለዎ መሰረተ ልምዓት ንድምጺ፣ መልእኽቲ፣ ጽሑፍን ኢንተርነትን ጥራሕ ክውዕል ጸኒሑ ኢላ። እቲ ሕዚ ተጀሚሩ ዘሎ ኣገልግሎት ግና ገንዘብ ንምቕባል፣ ንምልኣኽ፣ ናይ ዕድጊትን ኣገልግሎትን ክፍሊት ንምፍጻም ክውዕልን ''ክፍሊት ንምስላጥ'' ክሕግዝን እዩ ትብል። ብተወሳኺ ተጠቀምቲ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝለኣኸሎም ገንዘብ ክቕበሉ ከም ዝኽእሉ እታ ዋና ፈጻሚት ገሊጻ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ፋይናንስ ብባንክን ተመሳሰልቲ ትካላትን ጥራሕ እናተውሃበ ከም ዝጸንሐ እትገልጽ ፍረ ህይወት፡ ኢትዮ ቴሌኮም እውን ኣብ ፋይናንሳዊ ስርዓት ንምስታፍ ዘኽእሎ ሕጋዊ መስርሕ ኣይነበረን ኢላ። ''ዋላ'ኳ ነቲ ኣገልግሎት ንምሃብ ዘኽእል ስርዓት ቴክኖሎጂ እንተተዘርገሐ፡ ኢትዮ ቴሌኮም ነዚ ኣገልግሎት ክህብ ዘኽእሎ ሕጋዊ መስርሕ ንምምሕያሽ ዝኸድናዮ ርሕቐት ግን ነዊሕ፣ ኣጸጋምን ፈታንን ነይሩ'' ክትብል ተዛሪባ፡፡ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ''ውረድ ደይብ'' ግና፡ እቲ ትካል ነዚ ኣገልግሎት ንክህብ ኣብቲ ዝተጣየሸሉ ሕጊ ምምሕያሽ ምስ ተገበረን ካብ ብሄራዊ ባንኪ ፍቓድ ምስ ረኸበን፡ እቲ ኣገልግሎት ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ወግዓዊ ከም ዝተገበረ ሓቢራ፡፡ ብተወሳኺ ተመሳሳሰልቲ ኣገልግሎታት ንምሃብ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ከም ዝወስድ ብምግላጽ \"ኮይኑ ግና ፍቓድ ከም እንረክብ ተስፋ ብምግባር ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ምድላው ጌርና ኢና'' ኢላ፡፡ ኢትዮ ቴሌኮም 53 ሚልዮን ዓማዊል ዘለዎ ኮይኑ፡ ካብዚኦም እቶም 25 ሚልዮን ተጠቀምቲ ኢንተርነት እዮም። 23 ሚልዮን ድማ ስማርት ስልኪ ኣለዎም። ስለዚ እቶም 23 ሚልዮን ነዚ ኣገልግሎት ንምጥቃም ዝተዳለወ መተግበሪ ጽዒኖም፡ ምጥቃም ከም ዝኽእሉ እታ ዋና ፈጻሚት ስራሕ ትገልጽ፡፡ ኮኸብን (*) መሳልልን (#) ብምጥዋቕ ኣብ ዝቐርቡ ኣገልግሎታት ወይ USSD፡ ከምኡ ድማ ብሓጺር ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ምጥቃም ካልእ ኣማራጺ ከም ዝኾነ እውን ሓቢራ፡፡ ሞባይል ኣብ ዝፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ብብዝሒ ዝርከብ ብምዃኑ ካብ ትካላት ገንዘብ ብዝሐሸ ናይ ገንዘብ ምንቅስቓስ ንምዕባይ ይሕግዝ እዩ ኢላ። ዕላማ ቴሌ ብር ናይ ባንክን ተመሳሰሊ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላትን ንዘይረኸበ ክፋል ማሕበረሰብ ተበጻሒ ንምግባር እዩ፡፡ ነዚ ኣገልግሎት ንምርካብ፡ ተጠቀምቲ ባዕሎም ነቲ መተግበሪ ብምውራድ ወይ #127* ብምድዋል፡ ወይ እውን ናብ 127 ሓጺር መልእክቲ ብምስዳድ ክምዝገቡ ከምዝኽእሉ እታ ዋና ፈጻሚት ገሊጻ፡፡ ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ካብ 40 ክሳብ 50 ምኢታዊት ዝኸውን ዝውውር ገንዘብ ኢትዮጵያ ብቴሌ ብር ክኸውን ተሊሙ እዩ፡፡ ኣብዚ እዋን ገንዘብ ናብ ቴሌ ብር ኣታውን ወጻእን ንምግባር 1500 ወኪላት ከምዝተዳለዉ ብምግላጽ እዚ ቁጽሪ ኣብ ሓደ ዓመት ናብ 15 ሽሕ ንምዕባይ ከምዝተተለመ እውን እታ ፈጻሚት ስራሕ ኣብሪሃ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሞባይል ስልኪ ተጠቒምካ ገንዘብ ምዝውዋር ከም ዝከኣል ዝተፈላለዩ ባንኪታት የፋልጡ እዮም፡፡ ስለዚ ቴሌ ብር ካብዚኦም ብምንታይ ይፍለ ክንብል ንዘቕረብናላ ሕቶ እታ ዋና ፈጻሚት ''ንሕና ዓማዊልና 53 ሚልዮን በጺሖም እዮም፤ ተጠቀምቲ ባንኪ ግን ኣብኡ ኣይበጽሑን፡፡ ስለዚ ዘይበጻሕናሉ ሰፊሕ ክፋል ማሕበረሰብ ክንበጽሐሉ ይሕግዘና እዩ'' ብምባል መሊሳ፡፡ ብካልኣይ ደረጃ ድማ '' ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ብቐሊሉ ተበጻሒ ንምግባር፡ ቴክኖሎጂ ሞባይል ባንኪታት ካብ ዝበጽሕዎ ንላዕሊ ንምብጻሕ የኽእል እዩ'' ኢላ፡፡ ካብዚ ብዝዘለለ ድማ እታ ሃገር ናይ ወረቐት ገንዘብ ንምሐታም እተውጸኦ ወጻኢ ከምዝንክን፡ ኢትዮ ቴሌኮም ከምቲ ናይ ኣየር ሰዓት ንዓማዊሉ ዘለቅሕ፡ ገንዘብ ብቴሌ ኣቢሉ ልቓሕ ንምሃብ ዘኽእል ስርዓት ንምዝርጋሕ ትልሚ ከም ዘለዎን ሓቢራ፡፡ ናብ ዓውዲ ቴሌኮም ኢትዮጵያ ንዝዋፈሩ ትካላት ወጻኢ፡ ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ክህቡ ከም ዘይፍቀድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ኣሕመድ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምጅማር ገሊጹ ነይሩ፡፡ በዚ ምኽንያት ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ይበጽሖም ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ '' ብቐጥታ ምስ ብሄራዊ ረብሓ ዝተሓሓዝ እዩ፡፡ ንውድድር ዘኽእል ልምዲ ስለዘይነበረናን ተረባሕቲ ስለዘይገብረናን እዩ'' ኢሉ። ኮይኑ ግና ኢትዮ ቴሌኮም በይኑ ነቲ ኣገልግሎት ዝህብ እንተበዘሐ ንሓደ ዓመት እዩ ኢሉ፡፡ ኢትዮ ቴሌኮም ኣብዚ ዓመት 20 ሚልዮን ዓማዊል ከም ዝምዝግብን፡ ካብዚኦም ኣስታት 12 ሚልዮን ንጡፋት ዓማዊል ብምሓዝ 710 ሚልዮን ብር ንምንቅስቓስ ትልሚ ኣውጺኡ ከም ዘሎን ተገሊጹ፡፡","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57072096"} {"headline":"ኩባንያ ኣፕል ኣብ ቅነ ልደት 111 ቢልየን ዶላር ዝግመት መሸጣ ኣሳሊጡ","content":"ኩባንያ ኣፕል፡ ኣብ ቅነ ልደት ብዝተሸጡ ዘመናውያን ምህርታቱ፡ ተወሳኺ ክብረወሰን ሒዙ። ኣብዚ እዋን ኮሮናቫይረስ፡ ዓማዊሉ ዘመናውያን ፍርያታት ኣፕል ንዝኾኑ፡ ሓደሽቲ ዓይነት ሞባይላት፣ ላፕቶፓትን ኣቑሑን ንምዕዳግ ብምውሓዞም እዩ፡ ኩባንያ ኣፕል ተወሳኺ ክብረወሰን ዝሓዘ መሸጣ፡ ኣመዝጊቡ ዘሎ። ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 2020 ኣብ ናይ መወዳእታ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ፡ ኣፕል ልዕሊ 111 ቢልየን ዳላር ብምሻጥ እዩ፡ ካልእ ልዑል መሸጣ ኣመዝጊቡ ዘሎ ፤ እዚ ከኣ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብ 21 ሚእታዊት ዝዛየደ እዩ። እዚ ኩባንያ ኣፕል ኣመዝጊብዎ ዘሎ ልዑል መሸጣ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ብዙሓት ንጥፈታት ብኦንላይን ክኾኑ ፅልዋ ብምሕዳሩን፡ ነዚ ስዒቡ ጠለብ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ስለዝዛየደን እዩ። ኩባንያ ኣፕል ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ንልዕሊ ሓደ ቢልየን ኣይፎናት ሓዊሱ፡ ብብርኪ ዓለም ልዕሊ 1 ነጥቢ 65 ቢልየን ንጡፋት ፍርያታቱ ቆፂሩ እዩ። ኣፕል፡ ሓድሽ ስርሓት ሞባይል ኣይፎን 12 ሒዙ ምምጽኡ ስዒቡ፡ ብዙሓት ዓማዊል ናብቲ ኩባንያ ብምምፅኦም፡ ወይ ቅድም ክብል ዝነበሮም ስርሓት ኣፕል ከመሓይሹ ብምውሓዞም፡ እዚ ልዑል መሸጣ ከምዘመዝገበ ተገሊፁ። እቲ ኩባንያ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንቁጠባ ዓለም ኣብ ዝሃሰየሉ ኣብዚ ግዘ፡ ዕብየት ቻይና በርቲኡ ብምቕፃሉ፡ ጠለብ ምስ 5G ኔትዎርክ ዝሰማማዕ ሞባይላት ክውስኽ ከምዝሓገዞም ገሊፁ። መሸጣ ምህርትታት ኣይፎን፡ ኣብ ሪፐብሊክ ቻይና፡ ሆንግኮንግን ታይዋንን ሓዊሱ፡ 57 ሚእታዊት ዝሓለፈ እንትኾን፡ ኣብ ኣውሮጳ 17 ሚእታዊት፣ ኣብ ኣሜሪካ ድማ፡ 11 ሚእታዊት ፍርያት ኣይፎን ከምዝተሸጡ ተገሊፁ። ላዕለዋይ ሓላፊ ፋይናንስ ኣፕል፡ ሉካ ማስትሪ፡ “ፍርያታት ኣፕል ኣብ መላእ ዓለም ፅቡቕ ይሽየጡ ከምዘለዉን፡ ክሳብ ወርሒ መጋቢት’ውን ፅቡቕ ክሽየጥ ከምዘተስፉን” ሓቢሩ። ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንንጥፈታት በዲሁ፡ ብዙሓት ሴክተራት ብኢኮኖምያዊ ቅልውላው ኣብ ዝሕቆናሉ ግዘ፡ ኣፕል ኣብ ሰለስተ ወርሒ ጥራሕ፡ ኣስታት 28 ነጥቢ 8 ቢልየን ዶላር ትርፊ ከምዝረኸበን፡ እዚ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ርብዒ ዓመት እንትነፃፀር፡ ብ 29 ሚእታዊት ብልጫ ከምዘለዎን ኣፍሊጡ ኣሎ።","category":"ቴክኖሎጂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55838340"} {"headline":"ንወዲ 5 ዓመት ቆልዓ ተጠቕሊሉ ናብ መሐንበሲ ጋብላ ዝወሰደ ገበል","content":"ኣብ ኣውስትራልያ፡ ሓደ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ቆልዓ ብገበል ድሕሪ ምንካሱ ካብ ሞት ከምዝደሓነ ተፈሊጡ። እቲ ብ'ፓይቶን' ዝፍለጥ ገበል፡ ነቲ ቆልዓ ድሕሪ ምንካሱ፡ ኣብ ነብሱ ተጠቕሊሉ እናኽረረ ናብ መሐንበሲ ጋብላ (ፑል) ጎሲሱ ወሲዱዎ። እቲ ቦ ብሌክ ዝተባህለ ህጻን ኣብቲ ጋብላ ኣብ ዝሕንብሰሉ ዝንበረ እዋንእ'ዩ፡ እቲ ሰለስተ ሚትሮ ዝንውሓቱ ተመን መጺኡዎ ክብል ኣቦኡ ንሓደ መደበር ራድዮ እቲ ከባቢ ተዛሪቡ። በቲ ኩነታት ዝሰንበደ ኣቦሓጎኡ፡ እቲ ገበል ተጠቕሊሉዎ እንከሎ ካብቲ መሐንበሲ ኣውጺእዎም። ብድሕሪ'ዚ ኸኣ ኣቦኡ ካብቲ ለመምታ ብሓይሊ ገላጊልዎ። እንተኾነ ግና፡ ቦ ጸቡቕ ዕድል ጌሩ ብቀሊል ጉድኣት'ዩ ሓሊፍሉ ዘሎ። መንፈሱ ከምዘይተዳህለ'ውን ተገሊጹ'ሎ። \"ደሙ ምስ ኣጽረናሉን መርዛም ተመን ስለዘይኮነ ከምዘይመውት ምስነገርናዮን፡ ደሓን ኮይኑ\" ክብል ወላዲኡ በን ብዛዕባ'ቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ንመልበርን ዝተባህለ ራድዮ ሓቢሩ። \"ዝወጸሉ ወተሃደር'ዩ\" ክብል ንወዱ ዝገለጸ በን፡ ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብ ትርከብ ከተማ ቢሮን በይ ዝርከብ ስድራቤቱ ቁስሉ ረኽሲ ከይገብር ክከታተልዎ ምዃኖም ተዛሪቡ። ዋላ'ኳ ምድሓኑ ዕድል እንተገበረ፡ እቲ ፍጻመ ኣዝዩ ዘሰንብድ ምንባሩ'ዩ እቲ ኣቦ ዝገልጽ። \"[ቦ] ኣብ ወሰን [ናይቲ ጋብላ] ይኸይድ ነይሩ. . . ከምዝመስለኒ እቲ ፓይተን'ውን ግዳይ ንክመጾ ኣብኡ ይጽበ ነይሩ. . .ቦ ኸኣ [ግዳይእ] ኮይኑ። \"ዓቢ ጽላሎት ካብቲ ቆጥቋጥ ክወጽእ ተዓዚበ፡ ድሓር ቅድሚ ተተሓሒዞም ናብቲ ዓሚቚ ምወዳቖም ምሉእ ብምሉእ ኣብ እግሩ ተጠቕሊሉ\"። ወዲ 76 ዓመት ኣቦሓጉኡ ኣላን ግን \"ናይ ባዕሉ ከይሓሰበ\" ብቕጽበት ናብቲ ጋብላ ዘሊሉ ብምእታው፡ ነቲ ተመንን ነቲ ቆልዓን ኣልዒሉ ንበን ኣረኪብዎም። \"ንእሽቶይ ኣይኮንኩን. . .ስለዚ ኣብ ውሽጢ 15-20 ካልኢታት ገላጊለዮ\" ይብል በን፡ ኣቦ እቲ ህጻን። ብድሕሪኡ ነቲ ገበል ን10 ደቒቕ ዝኸውን ሒዙዎ ብምጽናሕ፡ ንደቁን ወላዲኡን ከረጋግኦም ፈቲኑ። ጸኒሑ ነቲ ገበል ናብቲ ቆጥቋጥ ገጹ ፈንይዎ። \"እቲ ኣኼስ ፍጥረት፡ ናብቲ ገበን ዝፈጸመሉ ቦታ ተመሊሱ\" ክብል እቲ ኣቦ ተሰሚዑ። ኣብቲ ካብ ከተማ ሲድኒ ንሰሜን 8 ሰዓታት ርሒቑ ዝርከብ ከባቢ ህላወ ፓተን ዝዓይነቶም ገባብል ንቡር'ዩ ዝብል በን፡ \" ስማዕ. . .እዚ ኣውስትራል'ዩ\" ብምባል'ዩ ነቲ ዘሰንብድን ሓደገኛን ፍጻመ ኣቕሊሉ ገሊጽዎ።","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crg2xgn3yrdo"} {"headline":"ናብ መካነ እንስሳ ዘሊሉ ዝኣተወ ሰብ ብኣናብስ ተቐቲሉ","content":"ኣብ ርእሰተ ከተማ ጋና ኣክራ ኣብ ዝርከብ መካነ እንስሳ፡ ዘሊሉ ዝኣተወ ውልቀሰብ ብኣናብስ ብዝተፈጸሞ መጥቃዕቲ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ተገሊጹ። እቲ ማእከላይ ዕድመ ከምዝነበሮ ዝተገለጸ ሰብ ብሰንበት ህይወቱ ከምዝሓለፈ ሰብ መዚ ገሊጾም። እቲ ውልቀሰብ ነቶም ኣብቲ መካነ እንስሳ ዝርከቡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝተወለዱን ልዑል ኣቓልቦ ስሒቦም ዝርከቡን ክልተ ጸዓዱ ኮራኩር ክሰርቕ ወጢኑ ምንባሩ ከምዝጥርጥሩ ሰብ መዚ ሓለዋ እንስሳ ዘገዳም እታ ሃገር ይገልጹ። ድሕሪ እቲ ንብዙሓት ዘሰንበደ ፍጻመ እቲ መካነ እንስሳ ንዝተወሰነ ግዜ ክዕጾ እንከሎ፡ ኣስከሬን እቲ ግዳይ ካብቲ መካነ እንስሳ ከምዝተወሰደ’ውን ተገሊጹ። ፖሊስ ንዕላማ እቲ ውልቀሰብን ንኩነታት እቲ መጥቃዕትን ንምፍላጥ መርመራ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብቲ ሓጹር ሓደ ተባዕታይ፡ ሓንቲ ኣንስተይቲ ከምኡ’ውን ክልተ ጸዓዱ ኮራኩር ምንባሮም ተፈሊጡ። ምኽትል ሚኒስተር መሬትን ባህርያዊ ሃብትን እታ ሃገር በኒቶ ኦውሶ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “እቶም ኣናብስ ኮራኩር ስለዘለዎም፡ እንተቐሪብካዮም፡ ነተን ውሉዶም ክትወስደሎም ትፍትን ዘለኻ ክመስሎም ይኽእል እዩ” ኢሉ። ወሲኹ’ውን “ህዝቢ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ክቑጠብ ንሓትት” ኢሉ። እቲ ውልቀሰብ ናብቶም ኣናብስ ንምብጻሕ 10 ጫማ ከምኡ’ውን 20 ዝቑመቱ ሓጹር ከምዝሓኾረ ሰብ መዚ ሓቢሮም። ንምጽዕዳው ሕብሪ ቆርበት እቶም ኮራኩር ምኽንያት ዝኾነ፡ ሉሲዝም ዝተባሃለ ብዘርኢ ዝመሓላለፍ ፍሉይ ናይ ቆርበት ባህሪ ካብ ወለዶም ብምውራሶም እዩ። እቶም ኮራኩር ልዑል መስሕብ በጻሕቲ ኮይኖም ኣለው። ብመሰረት ጸብጻብ ዓለምለኻዊ ትካል ዕቃበ ጸዓዱ ኣናብስ፡ ብዝሒ ኣብ ጫካታት ዝርከቡ ጸዓዱ ኣናብስ ካብ 12 ከምዘይበዝሑ ይፍለጥ።","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c03mzjypvgro"} {"headline":"‘ኣይትፍርሑ’፡ ሓደ ገዚፍ ድቢ እዩ ነቲ ጽምበል ሕጸ ዝርብሽ ዘሎ","content":"ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣብ ዘሎ ሓደ ቪድዮ፡ ሪካርዶ ሞራለስን ንዓርኩ ሴሲልያ ካናባል ናይ ‘ትምርዓውኒ ዶ?’ ሕቶ እናቕረበላ እንከሎ፡ ሓደ ገዚፍ ድቢ ክጽምበሮም እንከሎ የርኢ። እቲ ፍጻመ ኣብ ኑዌቮ ሊኦን ሜክሲኮ ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ዝበጽሐ ጉድኣት ኣይነበረን።","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cedvk245weno"} {"headline":"ተመን ከመይ ገይሩ እዩ ሰብ ክበልዕ ዝኽእል?","content":"ኣብ ኢንዶኔዥያዊት ዞባ ጃምቢ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ብሓደ ገዚፍ ገበል ወይ ፋይተን ተቐቲላ ከምእተዋሕጠት ነበርቲ እቲ ከባቢ ሓቢሮም፤ ተመን ግን ከመይ ኣቢሉ እዩ ሰብ ክበልዕ ዝኽእል? ኣብ 50 ዕድመ ከምዝነበረት ዝንገረላ ጃህራህ፡ ሰንበት ናብ ስርሓ እናኸደት እንከላ እያ ብሓደ ገበል ተጠቒዓ። ብድሕሪኡ ንሓደ መዓልቲ ሃለዋታ ክጠፍእ እንከሎ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ሓደ ከብዱ ዝተተርበበ ገበል ረኺቦም። ምስ ቀተልዎ ኸኣ ኣስከሬና ኣብ ውሽጡ ጸኒሑ። ኣዛዚ ፖሊስ ቤታራ ጃምቢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “እታ ግዳይ ኣብ ከብዲ እቲ ተመን እያ ተረኺባ፡” ኢሉ። እቲ ተመን ክርከብ እንከሎ፡ ከብዱ ኣዝዩ ተወጢሩ ምንባሩ’ውን ሓቢሩ። እቲ ተመን ብውሕዱ ሓሙሽተ ሜትሮ ቁመት ከምዝነበሮ እቶም ነበርቲ ይዛረቡ። ዋላ’ኳ ከምዚ ዓይነት ፍጻመ ሳሕቲ ዝርአ እንተዀነ፡ ኣብ ኢንዶኔዥያ ግን ንፈለማ እዋን ኣይኰነን። ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2017ን 2018 ክልተ ሰባት ብተመን ምሉእ ብምሉእ ተበሊዖም እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ኢንዶኔዥያ ሰባት ዝቐተሉ ገባብል፡ ‘ሬቲኩሌትድ ፋይተን’ ዝበሃሉ ዓይነት ኰይኖም ኣብ ቆርበቶም ብጸሊም ክቢ ክቢ ዘለዎም እዮም። ቁመቶም ክሳዕ 10 ሜትሮ ክበጽሕ ዝኽእል ኣዝዮም ሓያላት ከኣ እዮም። እዚኣቶም ብህንደበት ዘጥቅዑ፣ ነቲ ዝሓዝዎ እንስሳ ተጠምጢሞም ምስትንፋስ ከምስዝእን ወይ ዑደት ደም ከምዘቋረጽ ብምግባር ኣብ ውሽጢ ደቃይቕ ይቐትልዎ። ገባብል ነቲ መግቢ ከምዘለዎ እዮም ዝውሕጥዎ። መንጋጋኦም ብኣዝዩ ተዓጻጻፊ መላግቦ ዝተተሓሓዘ ብምዃኑ ነቲ መግቢ ንምውሓጥ ኣዝዩ ክምጠጥ ይኽእል። ሰባት ምብላዕ ግን ከቢድ እዩ፡ ምኽንያቱ “መንኩብ ሰባት ክጭፍለቕ ዘይክእል፡ በሊሕ ተዋጋኢ እዩ” ትብል ኣብ እንስሳታት መሮር ምርምራት እተካይድ ሜሪ-ሩት ሎው። ገባብል ዋላ’ኳ ሳሕቲ፡ ሓርገጽ ንዝርከቦም ለመምቲ እንተበልዑ፡ “ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ” ንመጥበውቲ ከምዝምገቡ ሜሪ-ሩት ትገልጽ። ብቐንዱ ኣናጹን ካልኦት ንኣሽቱ እንስሳታትን እዮም ዝበልዑ፡ “እንተዀነ ግዝፎም ኣብ ገለ ደረጃ ምስበጽሐ፡ እቲ ኣናጹ ብምብላዕ ዝረኽብዎ ካሎሪ ኣይኣኽሎምን” ትብል። ገባብል ክሳዕ ሓሰማ ወይ ከብቲ ክውሕጡ ከምዝኽእሉ ከኣ ተረድእ። ሓደ ሓደ ግዜ ግን፡ ካብ ዓቐኖም ንላዕሊ ክውሕጡ ኣብ ዝፍትንሉ ሽግር ከጋጥሞም ይኽእል እዩ። ኣብ 2005 ኣብ ፍሎሪዳ ሓደ ገበል ንሓደ ሓርገጽ ከምዘለዎ ክውሕጦ ፈቲኑ። እንተዀነ ኣብ መንጎ ተተርቢዑ ክልቲኦም ሞይቶም ተረኺቦም። ኣይኰነን፤ ኣብ ኢንዶኔዥያ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ክልተ ተመሳሰልቲ ፍጻመታት ኣጋጢሞም እዮም። ኣብ 2018፡ ኣብ ዞባ ሱላዌሲ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ጀራዲን ኣሕምልቲ እናሰርሐት እንከላ ተሰዊራ። እቲ ወድያቶ ዝነበረ ሰንደልን ጐዘሞን ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ክርከብ እንከሎ፡ ካብኡ ከባቢ 30 ሜተር ርሕቕ ኢሉ፡ ሓደ ገዚፍ፡ ከብዱ ዝተወጠረ ገበል ተረኺቡ። እቲ ገበል ነታ ሰበይቲ ውሒጥዋ ክኸውን ከምዝኽእል ዝጠርጠሩ ነበርቲ፡ ቀቲሎምዎ ከብዱ ምስ ጨንድሕዎ ከኣ ሬሳ እታ ሰበይቲ ኣብኡ ከምዝጸንሖም ኣዛዚ ፖሊስ እቲ ከባቢ ንኤኤፍፒ ሓቢሩ። ኣብ 2002 እውን፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓደ ወዲ 10 ዓመት ቈልዓ ብገበል ከምእተዋሕጠ ዝሕብር ጸብጻባት ወጺኡ። ኣብ 2017 ከኣ፡ ኣብ ሱላዌሲ ኢንዶኔዥያ፡ ሓደ ሓረስታይ፡ ሸውዓተ ሜትር ንውሓት ብዝነበሮ ገበል ተዋሒጡ። ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ሱማትራ ኣብ እትበሃል ዞባ ኢንዶኔዥያ ሓደ ሰብኣይ ምስ 7.8 ሜትር ዝንውሓቱ ገበል ተቓሊሱ ብኸቢድ እኳ እንተቘሰለ፡ ህይወቱ ኣድሒኑ። ክትኣምኖን ክተረጋግጾን ዘጸግም ኣብ ርሑቕ ቦታታት ከምዝጋጠመ ዝግለጽ ጸብጻት’ውን ኣሎ። ኣብ ማሕበረሰብ ኣግታ-ፊሊፒንስ ንነዊሕ እዋን መጽናዕቲ ዘካየደ፡ ተመራማራ ስነ-ሰብ ቶማስ ሄድላንድ፡ ኣብቲ ሕብረተሰብ፡ ካብቶም ሰብኡት፡ ከባቢ ሓደ ርብዒ ዝዀኑ ብገበል መጥቃዕቲ ከምዘጋጠሞም ይገልጽ። ዋላ’ኳ ዳርጋ ኵላቶም ብጐዘሞ ክከላኸሉ እንተፈተኑ፡ ብዙሕ ግዜ በጽሒ ኣግታ ብገበል ከምእተበልዑ ሓቢሩ። ገባብል ንምንቅስቓስ፡ ድምጺን ካብ መብራህቲ ንዝወጽእ ሙቐትን ኣዝዮም ተኣፈፍቲ ከምዝዀኑ እትገልጽ ኣብ ዩኒቨርስቲ ብራውኢጃያ ክኢላ ኣትማን ዝዀነት ኒያ ኩርንያዋን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ካብ ዝነብርሉ ከባቢ ከምዝርሕቍ ትሕብር።","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1geqx9899o"} {"headline":"ከተማ ኒውዮርክ ሃዳናይ ኣናጹ ክትቖጽር እያ","content":"እቶም ኣናጹ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ምልክታ ኣትዮም ኣለዉ። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ኣብ ከተማ ሓድሽ ሸሪፍ (ሓላፊ ፖሊስ) ክህሉ እዩ። ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ኤሪክ ኣዳምስ፡ ነቲ \"ሓቀኛ ጸላኢ\" ኒውዮርክ ንምምካት፡ \"ዳይረክተር ምቅላል ኣናጹ\" ወይ ከምቲ ብዙሓት ዝብልዎ ዘለዉ 'ሃዳኒ ኣናጹ' ይደሊ ኣሎ። \"እቲ ምቹእ ሕጹይ ልዑል ድራኸ ዘለዎን ብመጠኑ ደም ዝጸምኦን'ዩ\" ይብል እቲ ኣብዚ ሰሙን ዝተለጠፈ ኣኽብሮት ዘይብሉ ናይ ስራሕ መወዓውዒ። ነቲ ተራ ዝምረጽ ሰብ ክሳብ 170 ሽሕ ዶላር ክኽፈሎ ይኽእል። ነቲ ስራሕ ዘድሊ ሰብ \"ደፋር ጀብሃዊ ኣተሓሳስባ፡ ተንኮለኛ፡ ተዋዛዪን ብዘስካሕክሕ መንገዲ ዘድንቕ ባህሪ\" ዘለዎን ኮይኑ እቲ ስራሕ \"24\/7 ጽንዓትን መድረኻዊ ስራሕን ዝሓትት\" ተባሂሉ ተገሊጹ። ሓላፍነታት ምምዕባል ስትራተጂታት ምቅላል ኣናጹ፡ ምምሕዳር ፕሮጀክትታትን ተበግሶታት ፖሊሲታትን ኣብ መላእ ትካላት ከተማ፡ ከምኡ’ውን ካብ ግንባር ዝስራሕ ሜላታት ምጽናት ምምራሕ የጠቓልል። \"ኣናጹ ነዚ ስራሕ ክጸልእዎ እዮም። 8.8 ሚልዮን ነበርቲ ኒውዮርክን መንግስቲ ከተማኻን ግን ምሳኻትኩም ንምንካይ፡ ጽሬት ንምዕባይን ተላገብቲ ሕማማት ንምክልኻልን ድሉዋት ኮይኖም ኣለዉ\" ይብል እቲ መግለጺ ናይቲ ስራሕ። ቅድሚ ሕጂ ንብዝሒ ኣናጹ እታ ከተማ ንምቁጽጻር ዝተገብረ ጻዕርታት ዝተሓዋወሰ ውጽኢት ድሕሪ ምምጽኡ፡ እዚ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝጀመረ \"ኲናት ኣንጻር ኣናጹ\" ናይ መወዳእታ ምዕባለ'ዩ። ካልኦት ዝተወስዱ ስጉምትታት፡ ኣብ መላእ ጎደናታት መኽዘን ሳንዱቕ ምትካል፡ ነበርቲ ኒውዮርክ ጐሓፍኦም ኣብ ደገ ክገድፉ ከለዉ ምቕያርን ንባልዕ ዘይኣትዎ ከቢድ ስራሕ ዝሰርሕ ቦርሳታት ሳንዱቕ ሕግታት ምውጻእን ይርከብዎም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣናጹ ምርኣይ ኣዝዩ ልሙድ ኮይኑ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዓማዊል እታ ከተማ ዝቐርብ ጥርዓናት ካብ 2019 ብ67 ሚእታዊት ወሲኹ እዩ። ኣብ ጎደናታትን ትሕቲ መሬት መገዲታት ባቡርን እታ ከተማ ክልተ ሚልዮን ኣናጹ ከምዘለዉ ይግመት። ኣብ 2021 ኣብ ዝተገብረ መረዳእታ መጽናዕቲ ኣባይቲ ኣሜሪካ ዝተመርኮሰ ሓድሽ ጸብጻብ ግን ነታ ከተማ ብመጠኑ ከረጋግእ ይኽእል እዩ። እቲ መጽናዕቲ ንከተማ ኒውዮርክ ካብቶም ኣናጹ ዘለወን ዓበይቲ ከተማታት ኣሜሪካ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ኣቐሚጥዋ’ሎ። ቀዳመይቲ ቦስተን ካልአይቲ ድማ ፊላደልፍያ እየን።","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ckdryj9ye4lo"} {"headline":"ኬንያ - ማሳይ፡ ምስ ኣናብስን እንስሳ ዘገዳምን ብውህደት ዝነብሩ ሕብረተሰብ","content":"ሚተራንጋ ካማኡ፡ ካብ ዝዝክሮ መዓስ'የ ኣንበሳ ንምቕታል ዝበቅዕ ዝብል ሕልሚ'ዩ ነይሩዎ። ኣብ ደቡባዊ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ቦታ ፎቖድኡ ኣናብስ እናርኣየ እዩ ዓብዩ። ሃገራዊ ሕዛእቲ ኣምቦሰሊ እቲ ብበዝሒ ሓርማዝን ኣንበሳን ዘለዎን ጎቦ ኪሎማንጃሮ ኣማዕዲኻ እትርእየሉን ፍሉጥ ሕዛእቲ እዩ። ኣብቲ ሞተራንጋ ዝነብረሉ ከባቢ ድማ ኣናብስን ካልኦት እንስሳታት ብናጽነት ካብን ናብን ክንቀሳቐሱ ኢኻ እትርእዮም። መሬት ሕብረተሰብ ማሳይ ክኣ ናብቲ ሃገራዊ ሕዛእቲ ኣቲዩ ይርከብ። ኣብ ኣምቦሰሊ ሓራምዝ ኣብ ውሽጢ ሓምላይ ረግረግ ወደኽደኽ ይብሉ፤ ዓበይቲ ደማሙ በረኻን ኣዛብእን ከምኡ'ውን ዓጋዜንን ጎባይን ክኣ ብብዝሒ ኣለው። ኣብቲ ጎልጎል ድማ ኣናብስ ምስ ጓሶት እቲ ከባቢን እንስሳቶምን ክጻወቱ ይርኣዩ። እዚ ኣብ ብዙሕ ገጠራት ኣፍሪቃ ዘሎ ክውንነት እዩ። ኣናብስን ካልኦት እንስሳን ሓጹር ኣብ ዘይብሎም ከባቢታት ምስ ሰብን እንስሳ ዘቤትን ሓቢሮም ክነብሩ ልሙድ እዩ። ማሳይን ኣናብስን ክኣ ንዘመናት'ዮም ኣብ ሓደ መሬት ብሓደ ነቢሮም። ማሳይ፡ ንርእሶም ከምቲ ንኣንበሳ ዝርእይሉ'ዮም ዝቖጽሩ - እዚ ማለት ክቡራት፣ ልዕል ዝበሉን ዝፍርሑን ማለት እዩ። ብተወሳኺ ኣንበሳ መዐቀኒ ብልሒ ትብዓት ተዋጋኣይ ሓደ ማሳይ ተገይሩ'ዩ ዝውሰድ። እዚ ብቋንቋ ማሳይ 'ኦላማዮ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ መልእኽቲ፡ ሓደ መንእሰይ ንዓቕመ ኣዳም ምስ በቕዐ ተዋጋኣይ ንምዃኑ ድልዊ ምዃኑ ዘረጋግጽ መልእኽቲ ኣንበሳ ብምቕታል እዩ ዘመሓላልፍ ወይ ዘመስክር። ሞተራንጋ ቖልዓ እናሃለወ ኣባላት ስድርኡ ኣፈ ታሪኻት ሃደን ኣንበሳን ምስ ሃደንቲ ብዛዕባ ዘጋጥሙ ነገራትን እናነገሩዎ ስለ ዝዓበየ ካብኡ ብዙሕ ትጽቢት ይገበር ነይሩ። ኣብ ናቱ ስድራ ጥራሕ፡ ኣቡኡን ኣኮታቱን 15 ኣናብስ'ዮም ቀቲሎም። ንሱ ክኣ ወዲ 19 ዓመት ምስ ኮነ ናይ መጀመርታኡ ኣንበሳ ቐቲሉ። እንተኾነ ከምዚ ዓይነት ቅትለት እንስሳት ዋላ ሓደ ዘሐጉስ ነገር የብሉን። ሃደን ኣንበሳ ማሳይ ግን ኣብ ሞንጎ ክልተ ዘይቃደው ሰባት ዝግበር ኲናት ሞትን ሕውየትን እዩ። በዚ ሃደን ዝዕተር ዋንጫ የለን። ግን መብዛሕትኡ ግዜ ኣንበሳ ናብ መጻውድያኦም ክሳብ ዝኣቱ ኣድብዮም ዝጽበዩን ብሓይሊ ተኲሶም ዝቐትሉን ስፖርተኛታት ሃደንቲ ዝብሃሉ ሰባት ዝሳተፍሉ'ዩ። ኣንበሳ ምቕታል ሓቦ ይሓትት'ዩ። ኣብ ማሳይ ዘሎ ሃደን ኣንበሳ ከኣ ብኣንጻራዊ ንኡሽቶ ስለ ዝኾነ ኣብ ቐዑጽሪ እቶም ኣናባስ ውሑድ ጽልዋ'ዩ ዘለዎ። ሚተራንጋ ናይ መጀመርታ ኣንበሳ ምስ ቐተለ ድሕሪኡ ኣርባዕተ ቀቲሉ። በዚ ኣብ ናቱ ዕድመ እቲ ብሉጽ ቀታሊ ኣንበሳ ተባሂሉ፤ ንህዝቡ ድማ ጅግና ኮነ። ማሳይ፡ ፈጺሞም ኣንበሳ ኣብ ዘይብሉ ዓለም ክነብሩ ኣይኽእልኡን፤ ፈጺሞም ኣይሓስቡዎን። \"ኣብ መሬት ማሳይ ኣንበሳ እንድሕር ዘየለ፡ ዝኾነ ሕማቕ ነገር ኣሎ ማለት'ዩ። ድምጺ ኣንበሳ ኣብ ጫካ ምልክት ሓጎስን ሰናይ ዕድልን'ዩ\" ይብል። ይኹን'ምበር ኩሉ ነገር ተቐይሩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ከባቢ ኣምቦሰሊ ብዝሒ ሰብ ክውስኽ ጀሚሩ፤ ኣብ 2006 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ድማ 100 ኣናብስ ኣምቦሰሊ ኣብ ሞንጎ 35 ሽሕ ህዝቢ ማሳይን ክልተ ሚሊዮን ጥሪትን ክነብሩ ጀሚሮም። በዚ ምኽንያት ንኣናብስን ከምኦም ዝበሉ ናይ በረኻ እንስሳን ዝኸውን ቦታ ጸቢቡ። ካብዚ ብዝብገስ ኣናብስ ቅድሚኡ ገይሮምዎ ዘይፈልጡ ጥሪት ክቐትሉ ጀሚሮም። ማሳይ ክኣ መግለጺ ጀግንነት ብዝብል ዘይኮነ ሕነ ንምፍዳይ ብዙሓት ኣናብስ ይቐትሉ። ኣብ 2006 ዓ.ም 42 ኣናብስ ሰሚሞም። እዚ ኣብቲ ሕዛእቲ ዝርከቡ ኣናብስ ክጸንቱ'ዮም ዝብል ስግኣት ፈጢሩ። ሚተራንጋ \"ቖልዓ እናሃለኹ ብዙሓት ኣናብስ ነይሮም። ድሕሪ ዝተወሰኑ ዓመታት ግን ዳርጋ ኣጥፊእናዮም\" ይብል። ይኹን'ምበር ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣንበሳ ምቕታል ጽቡቕ ምስሊ ዝፈጥር ኣይነበረን። ብ2006 ራብዓይ ኣንበሳ ምስ ቐተለ ተኣሲሮ፤ 70 ሽሕ ሽሊንግ [456 ፓውንድ] ክኣ ተቐጺዑ። ኬንያ ካብ 1977 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮ] ጀሚራ'ያ ኣንበሳ ምቕታል ዘይሕጋዊ ምዃኑ ኣዊጃ። ሚተራንጋ ብዙሕ ከይጸንሐ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጽአ ገለ ካብ ጥሪቱ ጎዲለን ጸኒሐንኦ። ኣንበሳ'ዩ ወሲዱወን ዝኸውን ብዝብል ዓጢቑ ብምኻድ ኣድብዩ ኣንበሳ ክጽበ ጸኒሑ፤ ድሕሪ ዝተወሰኑ ሰዓታት ክልተ ብደረቶም ተነጺፎም ዝደቀሱ ኣናብስ ረኺቡ። ኣብዑሩ ዝበልዑዎም ምዃኖም ንምርግጋጽ ከብዶም ከፊቱዎ። እቲ ዘሕዝን ግን ዋላ ሓደ መረጋገጺ ክረክብ ስለ ዘይኽኣለ ኣበር ዘይብሉ ኣንበሳ ብምቕታሉ ተጣዒሱ። ርእሱ ደፊኡ ክኣ ናብ ገዝኡ ተመሊሱ። ድሕሪኡ ዘሕለፎም ኣዋርሕ ከበድቲ ነይሮም። ካልኦት ኣንበሳ ንምህዳን ክወፍሩ እንከለው ንሱ ኣብ ገዛ ይውዕል። በዚ ምኽንያት መሓዙቱ 'ኣንታ ፈራሕ' እናበሉ ክድህልዎ ጀሚሮም። እዚ ኣሕሪቑዎ፤ ግን ልቡ እቲ ዝቐተልካዮ ናይ መወዳእታኻ'ዩ ስለ ዝብሎ ካብ ውሳንኡ ፍሒት ክብል ኣይደለየን። ኣብ ከምዚ ዝበለ መዋጥር እናሃለወ'ዩ ብዛዕባ ኣብቲ ከባቢ ዝተጀመረ ፕሮግራም ዕቀባ ሰሚዑ። እዚ \"ሓለውቲ ኣንበሳ\" ዝበሃል ፕሮግራም ኮይኑ ሓደ ግዜ ኣንበሳ ዝቐተሉ ጀጋኑ ማሳይ ሓለውቲ ኣናብስን ሕብረተሰቦምን ይኾኑ ዝብል ዕላማ ኣለዎ። ሚተራንጋ ቃለ መጠይቕ ክገብር ከይዱ። ኣብዚ ፕሮግራም ማሳይ ምስ ክልተ ዶክተር ሊላ ሃዛህን ዶክተር ስቴፋኒ ዶልሬኒን ዝተባህላ ኣመሪካውያን ሰብ ሞያ እዮም ዝሰርሑ። ድሕሪ ዓመታት፡ ዶልሬንሪ ምስ ሚተራንጋ ዝተራኸበትሉ ኣጋጣሚ ክትዝክሮ እንከላ \"ነቲ ኸባቢ ሓደሽቲ ነይርና፤ ድሓር ንሚተራንጋ ቃለ መጠይቕ ገይርናሉ። ክመጽእ እንከሎ ናይ ብናማኑ'ዩ ነይሩ። ሊላ ክኣ በዚ ተገሪማ . . . ንቑመንኡን ባህሪኡን ርእያ 'ቐታሊ'ዩ' ኢላ ሕሹኽ ኢላትኒ\" ትብል። ክልቲአን ድማ እዚ ፕሮግራም ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ከም ሚተራንጋ ዝበለ ኣንበሳ ብምቕታል ልዑል ቦታ ዝወሃቦ ሰብ ሒዝካ'ዩ ክዕወት ዝኽእል እምነት ነይሩወን። ከም ሞተራንጋ ዝበሉ ሃደንቲ ኣንበሳ ከመይ ከም ዝቐትሉ ክእለቶም ኣርእዮም'ዮም። ከም ሓለውቲ ኣንበሳ ክኣ ዝጠፍኡ ኣብዑር ኣሊሾም ንኣሽቱ ጓሶት ናብቲ ኣንበሳ ዘለዎ ቦታ ከይኸዱ የጠንቕቑ። ኣባላት ማሕበረሰብ ማሳይ ሓደ ግዜ ኣንበሳ ቐቲሎም ሕብረተሰቦም ንምሕላው ድሉዋት ምዃኖም ምስ ኣርኣዩ፡ ሕጂ ድማ ጥሪቶምን ጓሶትን ካብ ኣናብስ ብምክልኻል ሓላፍነቶም የርእዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣንበሳ ብምቕታል ሓቦ ከም ዘለዎ ዘርኣየ መንእሰይ ማሳይ ድማ ካልኦት ከምኡ ዝበሉ መናእሰይ ሃደን ኣንበሳ ጠጠው ከብሉ ይሰርሕ። \"ኣብ ክንዲ ኣንበሳ ምግጣም ሃደን ኣንበሳ ጠጠው ምባል'ዩ እቲ ዝኸበደ\" ይብል መፐተራንጋ። ኣብ ዕቀባ ሴሌንካይ ናይ መጀመርታ ስርሑ ክጅምር እንከሎ ብጉጅለ ዝመጽኡ ማሳይ ናብ ሃገራዊ ሕዛእቲ ኣምቦሰሊ ተጸጊዖም ምስ ርኣየ ኣንበሳ ዘለወሉ ቦታ ክከታተል ጀሚሩ። \"ከም ባህሊ ሓደ ሰብ ናይ መጀመርታኡ ኣንበሳ ምስ ቐተለ ንዘልኣለም ዝጽውዓሉ ናይ ኣንበሳ ሽም ይወሃቦዩ\" ትብል ሃዛህ። ሞተራንጋ መጀመርታ ኣንበሳ ምስ ቀተለ ሚተራንጋ ዝብል ሽም ተዋሂቡዎ ነይሩ። እዚ \"ናይ መጀመርታ\" ዝብል ትርጉም ክህልዎ እንከሎ ናይ መጀመርታ ኣንበሳ ምስ ቀተለ ተዋሂቡዎ። \"ሕጂ ድማ እቲ ኣንበሳ ይሕልውዎ፡ ናቶም ክኣ ይኸውን። ሽም የውጽኡሉ። ሕጂ ሽም ምውጻእ ኣዝዩ ጠቓሚ ኮይኑ ኣሎ። በዚ ምኽንያት ሎሚ ኣንበሳ ክመውት እንከሎ ማሳይ ይሓዝኑ'ዮም። ነፍሲ ወከፍ ኣንበሳ ሽምን ታሪኽን ኣለዎ\" ኢላ። ሞተራንጋ ነታ መጀመርታ ዝሓለዋ ኣንበሳ ኖሲኪ ኢሉዋ ኣሎ። ወዲ 19 ዓመት ኮይኑ ናይ መጀመርታ ኣንበሳ ክቐትል እንከሎ ንኣደ እዛ ኣንበሳ እዩ ቀቲሉ። ሕጂ ግን ንውላዳ ክሕሉ ምሒሉ። \"ቅድሚ ሕጂ ብሰንኪ ባህላዊ እምነት ኣንበሳ ክቐትል እንከሎ ጅግና ምዃነይ ንምምስካር'ዩ\" ዝብል ሞተራንጋ ሕጂ ካብ ቀታሊ ናብ ሓላዊ ኣንበሳ ብምስግጋሩ \"እቲ ዝሓለፈ ሓሊፉ'ዩ፤ ሎሚ ከምቲ ኣንበሳ ክቐትል እንከለኹ ዝረኽቦ ዝነበርኩ ዕግበት ኣንበሳ ብምድሓነይ ይረኽብ ኣለኹ\" ይብል።","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59708890"} {"headline":"ኬንያ፡ ኣብ ሓደ ዓዲ ስንባደ ዝፈጠረ ምስሊ እንስሳ ዘገዳም","content":"ነበርቲ ናይ ሓንቲ ዓዲ፡ ኣብ ከባቢኦም ኣንበሳ ከምዝርኣዩን ስግኣት ከምዝሓደሮምን ንሰብመዚ እንስሳ ዘገዳም ይሕብሩ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ኣሻቦም ኣብቲ ቦታ ዝበጽሑ ሰለስተ ኣባላት ሓለዋ እንስሳ ዘገዳም ኬንያ፡ ኣብ ዝለዓለ ተጠንቀቕ ኮይኖም ናብቲ እቲ ኣንበሳ ተራእዩሉ ዝተባህለ ገዛውቲ ቀረቡ። ኣብታ፡ ኣብ ጥቓ እምባ ኬንያ እትርከብ ቁሸት ኪንያና ዝነብር ሰራሕተኛ\"ዩ፡ ኣብ ገዛ ናይቲ ዘስርሖ ሰብ ኣንበሳ ከምዝራኣየ ነቶም ሓለውቲ ሓቢሩ። ዋና ገዛ፡ ምእንቲ እተን ውልዶ ተኽሊ ከይነቕጻ ብምባል ኣብታ ንእሽቶ ጽላል ናይ ኣቮካዶ ተኽሊ ዝሓዘት ቦርሳ ኣቐሚጣ ነይራ። እቶም እናሰግኡ ብልዑል ትኩርነት ናብታ ጽላል ዝተጸግዑ ሓለውቲ ዝረኸብዎ ኣንበሳ ግን ካልእ'ዩ ነይሩ- ናይ ኣንበሳ ምስሊ ዘለዎ ናይ ኣስቤዛ ቦርሳ። ኣዛዚ ፖሊስ ናይቲ ከባቢ ሳይረስ ምቢጂወ ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ ዋላ'ኳ ኣብ ዝቐረባ እዋን ኣብቲ ከባቢ ዝተራእዩ ኣናብስ እንተዘየለዉ፡ ገለ ነበርቲ ግን እንስሳታቶም ከምዝጠፍኣ ክጠርዑ ጸኒሖም'ዮም። \"ነቲ ፍጻመ ብዕቱብነትን ጥንቃቐን ኢና ርኢናዮ። ፈለማ፡ ኩሉ ሰብ ደሓን ምዃኑ ኣረጋጊጽና፡ ድሕሪኡ ሓለዋ እንስሳ ብዝገበርዎ መርመራ፡ ቦርሳ ምዃኑ ተፈሊጡ\" ክብል እቲ ፖሊስ ብዛዕባ'ቲ ዘጋጠመ ፍጻመ ተዛሪቡ። እቶም ሓለውቲ ክጽውዑ እንከለዉ፡ ዋና ገዛ ገይሻ'ያ ነይራ። ምስ ተመልሰት ግን፡ ኣብ ገዝኣ ኣንበሳ ከምዘሎን፡ ናብቲ መንበሪ ገዝኣ ብኣፍደገ ከይትኣቱን ተነጊሩዋ። እቲ ኩነታት ምስቲ ተኽሊ ኣቮካዶ ዝሓዘ ቦርሳ ዝተሓሓዝ ምዃኑ ቀልጢፋ ኣይዘከረቶን። እቲ ቦርሳ፡ ኣብ ትሕቲ መስኮት'ዩ ነይሩ። እቶም ሓለውቲ ርእይ እንተበሉ፡ እቲ ዝተባህለ ኣንበሳ፡ ገጽ እንበር ኣካል ኣይነበሮን- ቦርሳ ኮይኑ ጸኒሑዎም። ዋላ'ኳ ዘይቅኑዕ ሓበሬታ እንተነበረ፡ \"ህዝቢ ነቲ ክፍጠር ዝኽእል ግጭት ንምውጋድ ሓበሬታ ምሃቦም\" ሓለዋ እንስሳ ዘገዳም ኬንያ ንኢዱ።","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61340394"} {"headline":"ብሪጣንያ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዝተገዝአ ከልቢ ቈልዓ ቀቲሉ","content":"ኣብ ብሪጣንያ: ጓል 17 ወርሒ ቈልዓ ኣብ ገዝኣ ብከልቢ ብዝተፈጸመላ መጥቃዕቲ ሞይታ፡፡ ቤላ-ረይ ቢርች ብሰኑይ ብድሕሪ እቲ ዝተፈጸመላ መጥቃዕቲ ኣብ ሆስፒታል ከም ዝሞተት ፖሊስ እንግሊዛዊት ከተማ መርሲሳይድ ገሊጹ ኣሎ፡፡ ‘‘ኣዚና ንናፍቐኪ፤ ኣይንርሰዐክን’’ ክብሉ ሓዘኖም ዝገለጹ ስድራቤታ እቲ ማሕበረሰብ ንዝገበረሎም ደገፍ ኣመስጊኖም፡፡ እቶም ኣብ ዓሚዩቕ ሓዘን ዝርከቡ ስድራ ቤታ እታ ግዳይ፡ ነቲ ከልቢ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ከም ዝገዝእዎ ዝገለጹ ፖሊስ እቲ ከልቢ ብፖሊስ ከም ዝተቐተለን ዘይሕጋዊ ዓሌት እንተኾይኑ ንምርግጋጽ ምርመራ ከም ዝገብሩን ኣፍሊጦም፡፡ ብተወሳኺ ከም ኣካል እቲ ምርመራ ነቶም ቅድሚ እቲ ከልቢ ምሻጡ ዝነበሩ ዋናታት ከምዝደልዩዎም ፖሊስ ገሊጾም ኣለዉ፡፡ ሞት እታ ቈልዓ ንቤተሰብን ነበርቲ እቲ ከባብን ከም ዘሕዘነ ዝገለጸ ሓላፊ ፖሊስ ስቲቭ ብሪዘል ‘‘ቤላ-ረይ ክትግምቶ ብዘይትኽእል ዘሕዝን ኩነታት ህይወታ ስኢና’’ ኢሉ፡፡ ንሱ ብተወሳኺ ‘‘ዛጊት እቲ እቶም ቤተሰብ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዝገዝእዎ ከልቢ ኣብ ውሽጢ መንበሪኦም ንቤላ-ረይ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመላ ኢና እንፈልጥ’’ ብምባል: ዋላ'ኳ እታ ቈልዓ ናብ ሆስፒታል ተወሲዳ ሕክምና እንተተገበረላ ክትተርፍ ከም ዘይከኣለት ተዛሪቡ፡፡ ሓንቲ ጆርዳን ዝተባህለት ኣውያት ሰሚዓ ክትረድእ ዝመጸት ጎረቤት ድማ ወለዲ ቤላ ብስንባድ ‘‘ሓውሲ ተጸሊሎም ነይሮም’’ ክትብል ተዛሪባ፡፡ ካልኦት ነበርቲ እቲ ከባቢ ድማ በቲ ኩነታት ኣዝዮም ከም ዝሰንበዱ ሓቢሮም፡፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ኩነታት ዝረኣዩ ወይ ብዛዕባ እቲ ከልቢ ሓበሬታ ዘለዎ ሰብ ንፖሊስ ከፍልጥ ተሓቲቱ ኣሎ፡፡","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60839716"} {"headline":"መበቈል ኮቪድ፡ ዕዳጋ ዉሃን ምዃኑ ዝሕብሩ መረዳእታታት ተረኺቦም","content":"መበገሲ ኮቪድ-19 ኣብ ከተማ ዉሃን ዝርከብ ዕዳጋ ምግቢ ባሕርን እንስሳን ሁዋናን ከምዝዀነ ዘርኢ ‘‘ጭቡጥ መረዳእታ ’’ ከምዝረኸቡ ተመራመርቲ ገሊጾም፡፡ ብሰሉስ ዝተሓተሙ ክልተ ሳይንሳዊ መጽናዕቲታት፡ ኣብታ ንፈለማ እዋን ለበዳ ኮቪድ ዝተርእየላ ቻይናዊት ከተማ ዝተረኸቡ ሓበሬታታት መርሚሮም፡፡ ካብቶም መጽናዕቲታት እቲ ሓደ፡ እቶም ፈላሞት ረኽሲታት እቲ ቫይረስ፡ ኣብ ከባቢ እቲ ዕዳጋ ከምዝረተኸቡ ይረድእ፡፡ እቲ ካልኣይ ድማ፡ እቲ ለበዳ ዝተላብዓሉ እዋን ንምፍላጥ ጀነቲካዊ ሓበሬታታት ተጠቒሙ፡፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ወይ መጀመርታ ታሕሳስ ክልተ ዓሌታት ኮሮናቫይረስ ናብ ሰባት ምትሕልላፍ ከምዝጀመሩ ድማ ይጠቅስ፡፡ ንኽልቲኦም መጽናዕቲታት ዘካየዱ ተመራመርቲ፡ እቲ መረዳእታ፡ ሳርስ-ኮቭ-2 ኣብ መወዳእታ 2019 ኣብ ዕዳጋ ዉሃን ይሽየጣ ኣብ ዝነበራ መጥበውቲ ከምዝነበረ ዘመላኽት እዩ ኢሎም፡፡ በዚ መሰረት፡ እቲ ቫይረስ ካብተን እንስሳት ኣብ ክልተ ዝፈላለዩ ኣጋጣሚታት ናብቶም ኣብቲ ቦታ ዝሰርሑ ሰባት ወይ ዓደግቲ ከምዝተሳገረ ገሊጾም፡፡ ኣብቲ መጽናዕቲ ካብ ዝተሳተፉ ሓደ፡ ቫይሮሎጂስት ፕሮፌሰር ደቪድ ሮበርሰን፡ እቶም መጽናዕቲታት ነቲ ‘‘እቲ ቫይረስ ካብ ቤተ ፈተነ ዝመጸአ እዩ ዝብል ግጉይ ኣበሃህላ ክእርሙ ተስፋ እገብር’’ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡ ጠንቂ ኮቪድ-19 ዝዀነ ቫይረስ ንምፍላጥ ንክልተ ዓመት ዝተኻየዱ ሳይንሳዊ መጽናዕቲታት፡ እቶም ተመራመርቲ ብዙሕ ነገራት ክርድኡ ዓቕሚ ፈጢሮምሎም እዮም፡፡ እዚ ነቲ ኣብ መጀመርታ እዋን እቲ ለበዳ ዝነበረ ሕንቅልሕንቅሊተይ ክፈትሑ ኣኽኢልዎም፤ ካብቶም ኣብ ዉሃን ብኮቪድ-19 ተታሒዞም ናብ ሆስፒታል ዝኣተዉ ኣማኢት ሰባት እቶም 50 ጥራሕ እዮም ምስቲ ዕዳጋ ቀጥታዊ ርክብ ዝነበሮም፡፡ ‘‘መብዛሕትኦም ረኽሲታት ምስቲ ዕዳጋ ዝራኸቡ ብዘይምንባሮም ሕንቅልሕንቅሊተይ ኰይኑ ነይሩ’’ ይብል ፕሮፌሰር ሮበርሰን፡፡ እንተዀነ መብዛሕትኦም ሰባት ቀሊል ምልክታት ስለዝረኣዮም፡ ናብቲ ማሕበረሰብ ከይፈለጥዎ ክላባዕ ከምዝገብሩን እቶም ከበድቲ ለበዳታት ድማ ብቐጥታ ምስቲ ዕዳጋ ዘይተሓሓዙ ምዃኖምን ከምዝረድኡ እውን ይገልጽ፡፡ ኣብቶም ፈላሞት ብኮቪድ ዝተታሕዙ ሰባት ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ መብዛሕትኦም ምስቲ ዕዳጋ ቀጥታዊ ርክብ ዘይብሎም ምዃኖም እዩ ዘርኢ፤ ማለት ኣብቲ ዕዳጋ ዝሽምቱ ወይ ዝሰርሑ ኣይኰኑን፡፡ ግን ከኣ ኣብ ጥቓ እቲ ዕዳጋ ዝነብሩ እዮም፡፡ እዚ ድማ እቲ ዕዳጋ ማእከል እቲ ለበዳ ምንባሩ ዘመላኽት ከምዝዀነ ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፈ ካልእ ተመራማሪ ፕሮፌሰር ሚኪኤል ዎሮበይ ይገልጽ፡፡ እቶም ተመራመርቲ ካብ ዝፈላለየ ከባቢታት እቲ ዕዳጋ ቅምሶታት ወሲዶም መርሚሮም፤ እቶም ከባቢታት እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም እዩ። ‘‘ን ሳርስ-ኮቭ-2 ተቓላዕቲ ከምዝዀና ሕጂ ዝፈለጥናየን እንስሳታት፡ ኣብ መወዳእታ 2019 ኣብቲ ዕዳጋ ይሽየጣ ምንባረን መረጋገጺ ኣለና’’ ኢሉ ፕሮፌሰር ሮበርሰን፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት መበገሲ ኮቪድ ንምፍላጥ ዝግበር ዝነበረ መጽናዕቲ፡ ፖለቲካዊ መልክዕ ሒዙ ከሰሓሕብ ጸኒሑ እዩ፡፡ ብፍላይ ካብ ኢንስቲትዩት ቫይሮሎጂ ዉሃን ሰሊዅ ዝወጸአ'ዩ ዝብል ሓበሬ፡ታ ንፖለቲከኛታት ኣሜሪካን ቻይናን ነዊሕ ኣሰሓሒቡ፡፡ እቲ ክልስ ሓሳብ ምስቲ መረዳእታ ከምዘይዛመድ ዝገልጽ ፕሮፌሰር ስቱዋርት ነይል፡ በቲ ሕጂ ዝረኸብዎ መረዳእታ እቲ ቫይረስ ‘‘ኣብቲ ዕዳጋ ካብ ሰባት ናብ እንስሳ ዝተመሓላለፈ’’ ምዃኑ የረድእ፡፡ ጻዕቂ ዘለዎም ዕዳጋታት እንስሳ፡ ሕማማት ካብ እንስሳታት ናብ ደቂ ሰብ ክሓልፉ ዝኽእሉሎም ምቹኣት ከባቢታት ምዃኖም ብዙሓት ተመራመርቲ ይሰማምዑ፡፡","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1dexzdqngo"} {"headline":"ተጻዋቲ ጋንታ ሊቨርፑል ነበር ዝጠፍአ ከልቡ ንዝረኸበሉ ሰብ 30 ሽሕ ዶላር ክኸፍል ተፈሪድዎ","content":"ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ጋንታ ሊቨርፑል ነበር ዳኒኤል ሰተሬጅ ቅድሚ ክልተ ዓመት ጠፊኣ ንዝነበረት ሉሲ ዝተብሃለት ከልቡ ንዝረኸበሉ ውልቀ ሰብ 30,000 ዶላር ክኸፍሎ ቤት ፍርዲ ወሲንሉ። ኣብዚ እዋን ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ እትርከብ ጋንታ ዝጻወት ዘሎ ዳኒኤል፡ እታ ሉሲ ዝብል ስም ዘለዋ ከልቡ ሎስ ኣንጀለስ ካብ ዝርከብ ቤቱ ምስተሰረቐቶ ንዝረኸባ ሰብ ዓስቢ ከምዝኸፍል ቃል ኣትዩ ነይሩ። ኪላ ፌም ብዝብል ናይ መድረኽ ስሙ ዝፍለጥ ፎስተር ዋሽንግተን ዝተብሃለ ራፐር ነታ ከልቢ ረኺቡ ንዳኒኤል’ኳ እንተረከቦ እቲ ተመጻቢዕሉ ዝነበረ ገንዘብ ግን ከምዘይተውሃቦ ተዛሪቡ። ዋሽንግተን ጥርዓኑ ናብ ቤትፍርዲ ድሕሪ ምቕራቡ እዩ እቲ ብይን ተዋሂቡ። እቶም ኣብ ኢድ ማዕኸን ዜና ፒኤ ዝኣተዉ ሰነዳት ቤት ፍርዲ ከም ዘርእይዎ፡ ዳኒኤል ናብ መጋብእያ ቀሪቡ ምላሽ ኣብዘይሃበሉ’ዩ እቲ ፍርዲ ተዋሂቡዎ። ዳይና እቲ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ንራፐር ዋሽንግተን 30,000 ዶላር ክኸፍሎ ኣለዎ ካብ ዝብል ውሳነ ብተወሳኺ 85 ዶላር ክኸፍሎ ወሲኑ። “እቲ ገንዘብ ከምዝኸፍለንን ናብ ቤት ፍርዲ ይግባይ ከምዘይብልን ተስፋ እገብር። ሕጉስ እየ። በዚ ርእሰ ጉዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ክካታዕ ጸኒሔ ኣለኹ። እታ ከልቢ ምስ ረኸብኩዋ ህይወተይ ክመሓየሽ’ዩ ዝብል ተስፋ ነይሩኒ” ክብል ዋሽንግቶን ተዛሪቡ። እታ ከልቢ ሆሊውድ ካብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ እቲ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ዝጠፍኣትሉ እዋን ቆቢዕ ዘለዎ ጎልፎ ዝተደኸኑ ሰለስተ ሰባት ብናይ ድሕነት ካሜራ ከምዝተቐድሑ ተፈሊጡ። “እታ ከልቢ ንኽትርከብ ኣድላይ ዘበለ ነገር ኩሉ ክንከፍል ኢና” ክብል ዳኒኤል ተዛሪቡ ነይሩ። “ዝኾነ ይኹን ሰብ ነታ ከልበይ እንተድኣ ኣምጺኡለይ ካብ 20 ክሳብ 30 ሽሕ ዶላር ክኸፍል እየ” ዝብል መልእኽቲ ምስ ኣሕለፈ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ እታ ከልቢ ተረኺባትሉ። ወኪላት ናይቲ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ርእይቶ ንምሃብ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን።","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59789810"} {"headline":"ሳይንስ፡ ህይወት ልዕሊ 10 ሚልዮን ሰባት ዘድሓኑ ኣብ ቤተ ፈተነ ዝተራብሑ ዋህዮታት","content":"ኣብ 1612 ኣብ ጎዶናታት ፓሪስ ሓደ ተመራማሪ ካብ ሞት ዘድሕን ምህዞ ምሂዙ ዝብል ዘረባ ሰብ ክቀባበለሉ ጀሚረ። እቲ ተመራማሪ ኒኮላስ ፈላምል እዩ ዝብሃል፤ 300 ዓመታት ከምዝነበረ'ውን ይንገረሉ ነበረ፡ ብዘይካ እዚ ንተራ እምንን ሓጺንን ናብ ወርቂ ዘቐይር ዓቕሚ ኣለዎ'ውን ተባሂልሉ። ኒኮላስ ፈላምል ክመውት ኣይክእልን'ዩ ዝብል ዘረባ ኣቓልቦ ብዙሓት ክስሕብ ክኣለ፡ ናይቲ እዋንን ናይ ሕጅን ፍሉጥ ተመራማሪ ኣይዛክ ኒውተን ከይተረፈ ነቲ ዘረባ ኣመኖ፤ ነታ ብዛዕባ ኒኮላስ ፈላምል እትዘንቱ መጽሓፍ'ውን ደጋጊሙ ብምንባብ ክመራመረላ ጀሚሩ ነበረ። እንተኾነ እቲ ብዛዕባ ኒኮላስ ፈላምል ዝዝረብ ዝነበረስ ሓቂ ኣይነበረን። ንሱስ ተራ ጽሓፍን ኣብ መበል 88 ዓመቱ ኣብ 1418 ዝሞተ እዩ ዝነበረ፡ እታ ንሱ ጽሑፍዋ ዝተብሃለት 'ኣልከሚስት' ዝኣርእስታ መጽሓፍ'ውን ብኻልእ ጽሓፊ ዝተጸሓፈት እያ። እታ ቅድሚ ዘመናት ሓሶት ተባሂሉ ዝተረሰዐ ንሰብ ከምዘይመውት ዝገብር ምርመር ግን ኣይቅሃመን። ኣብ 1961 ኣብ ዘመናዊ ቤተ ምርምር ፍላደልፍያ ፈኸም ክብል ጀመረ። ንዘመናት ተመራመርቲ እቶም ኣብ ውሽጢ ሰብነትና ዝርከቡን ንኣካላትና ዘቑሙን ብገምጋም 37.2 ትሪልዮን ዝኾኑ ውሃዮታት፡ ኣብ ክልተ እናተመቐሉን እናተተኸኡን ከምዘንብሩናን'ዮም ዝርድኡ ነይሮም። እንተኾነ ልዮናርዶ ሃይፍሊክ ዝተብሃለ ንእሽተይ ኣሜሪካዊ ተመራማሪ ንተመራመርቲ ዘሰንበደ ሓቒ ሒዙ ቦሎኽ ኢሉ። ውሃዮታት ደቂ ሰባት ሓንሳብ ምስ ተፈጠሩ ቅድሚ ጠቕሊሎም ምማቶም ካብ 40 ክሳብ 60 ግዜ ጥራይ ከምዝመቓቐሉ ከረድእን ከእምንን ክኢሉ፡ ነቲ ርኽበቱ ኸኣ 'ሃይፍሊክ ሊሚት' ዝብል ስያመ ሃቦ። እዚ ምፍላጥ ኸኣ ክልተ ሓቕታት ንኽቕልዑ ምኽንያት ኮይኑ። እቲ ቀዳማይ ዕድሜና ብኣነባብራና፡ ኣበላልዓናን ካልእን ጥራይ ከምዘይምርኮስ ኣግሂዱ። ንብዝሒ ኣብ ኣካላትን ዘለዉ ውሃዮታት ብማእከላይ ገምጋም 'ሃይፍሊክ ሊሚት' እንተኣራቢሕናዮ 120 ዓመታት እዩ ዝመጽኣልና። እንተኾነ ሓደ ጅያን ካልመንት ዝተብሃለ ሰብ ጥራይ'ዩ 122 ዓመትን 164 መዓልታትን ክነብር ክኢሉ። እቲ ካልኣይ፡ ከምቶም ንኣካላትና ዘቁሙ ውሃዮታት ኣብ ቤት ምርምር ክስርሑ ከምዘይክእሉ ኣግሂዱ፡ ምኽንያቱ እቶም ኣብ ቤተ ፈተነ ዝተሰርሑ ውሃዩታት ነቲ ህይወቶም ምቅጻል ዝሕግዝ ምምቕቓል ይጅምርዎ'ምበር ኣይቅጽልዎን'ዮም። ስለዚ ክስርሑ ዘይኮኑስ ክራብሑ እዮም ዘለዎም ዝብል ድልዱል ሓሳብ ሒዙ ነቁሉ። እዚ ዛንታ እምብኣር ብዛዕባ ውሃዮታት ንምርባሕ ካብ ስዊድን ዝነቐለን ንሚልዮናት ካብ ሞት ዘድሓነን ዕዉት ፈተነ ዝነግር እዩ። 'ሃይፍሊክ ሊሚት' ቅድሚ ምርካቡ፡ ተመራመርቲ ቀጻልነት ህይወት ናይ ሓደ ሰብ ንምውሓስ፡ ኩሉ ግዜ ነቶም ዝሞቱ ውሃዮታት ብሓደሽቲ እናተካእካ ምቅጻል ይክኣልዶ ንዝብል ሕቶ መልሲ ንክረኽብሉ ሰለም ኣየበሉን። እንተኾነ ቅልጡፍ ምምቅቓል ውሃዮታትን ምትእክኻብ ዝሞቱ ውሃዮታትን መንሽሮ ስለዘስዕብ ሓደ ዓቢ መስገደል ኮኖም። ኣብ 1960ታት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝተውሃበ ክታበት ጸረ ፖልዮ ብዙሕ ነቐፉታ'ዩ ዝዒብዎ። ገለ ክታበታት ገለ ዘይጓድኡ ተሃዋስያን ናብ ውሃዮታት ብምእታው እዮም ዝስርሑ፡ እቶም ውሃዮታት ባዕዳዊ ኣካል መጺእና ኣሎ ኢሎም የላዕልዎ'ሞ ጸረ እቲ ባዕዳዊ ነገር ናይ ምቅላስ ዓቕሞም የጎልብቱ። እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝተውሃበ ክታበት ጸረ ፖልዮ'ምበኣር ካብ ኣብ ናይ ህበይ ኵሊት ዝርከብ [ኤስቪ 40 ዝተብሃለ] ውሃዮ ተወሲዱ'ዩ ተሰሪሑ። እዚ ድሒሩ ምስ ተፈለጠ'ዩ ካብ ብዙሓት ተቃውሞታት በዚሕዎ። ካብ 1955 ክሳብ 1963 ዝነበረ ግዜ ኣብ ኣሜሪካ ጥራይ ክሳብ 30 ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት'ዮም ብፖልዮ ተጠቂዖም። እቲ ቁጽሪ መልከፍቲ ክሳብ ክንድዚ ክብ ዝበለሉ፡ እቲ ካብ ህበይ ዝተውሰደ ኤስቪ40 ዝተሰመየ ውሃዮ ኣብ ውሽጢ ሰብነት ሰብ ምስ ኣተወ ረኽሲ ከስዕብ ብምኽኣሉ'ዩ። ኣብቲ እዋን፡ እቲ ሕማም ዋላ ናብቶም ዘይተኸተቡ ሰባት'ውን ክሰጋገር ምኽኣሉን ኣብ ገለ መንሽሮ ሓንጎል ዘለዎም ሰባት'ውን ክርኣ ምስ ጀመረ'ዩ ዝያዳ ኣቃልቦ ረኺቡ። ኩሉ እዚታት ተደማሚሩ ኸኣ'ዩ ንወዲ ሰብ መተካእታ ውሃዮታቱ ካበይ ክርከብ ይኽእል ዝብል ሕቶ ብተደጋጋሚ ክልዓል ጀሚሩ። ኣብ 1962 ርኽበት ልዮናርዶ ሃይፍሊክ መጺኡ፡ እዚ ርኽበት እዚ ከኣ ሓደ ሓዲሽ ሞስኮት ከፈተ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ኢሊኖስ ቺካጎ ተመራማሪ ስነ ህዝብን ወለዶታትን፡ ጃን ኢለሻንስኪ፡ ንምርመር ልዮናርዶ ሃይፍሊክ ብምውካስ \"ብዘይ ንሱ [ሃይፍሊክ ሊሚት] ኣነን ንስኻን ክንነብር ኣይምኽኣልናን\" ይብል። እቲ ልዮናርዶ ሃይፍሊክ 'ሃይፍሊክ ሊሚት' ኢሉ ዝሰመዮ ርኽበት ብኸምዚ ኣጋጣሚ'ዩ ተረኺቡ። ሓንቲ ስማ ዘይተገለጸት ናይ ሰለስተ ወርሒ ጥንሲ ዝነበራ ስዊድናዊት፡ ብሕጋዊ ኣገባብ ጥንሳ ምስ ኣነጸለቶ'ዩ እቲ ምርምር መልክዕ ክሕዝ ጀሚሩ፡ ከመይ ኢሉዶ በልኩም? ንቀጽል። ከምቲ ደራሲት ምሪዲዝ ዋነድማን ኣብ መጽሓፋ ዘስፈረቶ፡ ውድድር ናይ ክታበት፡ ሳይነስ፡ ፖሎቲካን ወዲ ሰብ ንነብሱ ካብ ሕማም ንኽከላኸል ዝገብሮ ቅልስን ኩሎም ተደራሪቦም እቲ ወዲ ሰለስተ ወርሒ እንከሎ ዝተነጸለ ጥንሲ ኣይተቃጸለን፡ ኣይተቐበረን ወይ'ውን ኣይተደርበየን ኣብ ክንድኡ ብቀጠልያ ኣንሶላ ተጠቅሊሉ ናብ መመርመሪ ማእከላ ስቶኮልም'ዩ ተሰዲዱ። ኣብቲ እዋን ተመራማሪ ልዮናርዶ ሃይፍሊክ ነቲ ንምርምር ዝተጠቐመሉ ዋሃዩ ኸኣ ካብዚ ናጽላ ከምዝረኸቦ'ዩ ዝጥቀስ። ልዮናርዶ ሃይፍሊክ ነቶም ውሃዮታት ኣብ 37 ዲግሪ ሰንቲግሬት ዓቐን ሙቐት [ ዓቐን ሙቐት ሰብኔት ደቂ ሰብ] ዘለዎ መትሓዚ ዓቒቡ ነቲ ኣብ ውሽጦም ዝነበረ ፕሮቲን ኣልዩ መስርሕ ምምቕቓል ናይቶም ውሃዮታት ከምዝዶናገ ክገብር ፈቲኑ፡ ድሕሪ መዓልታት ኸኣ እቶም ውሃዮታት ከምቲ ንሱ ዝሓሰቦ ብዘገምታ ክመቓቐሉን ህይወቶም ክቅጽልን ከኣለ። ንሓደ ካብቶም ውሃዩታት ኸኣ ብሽም እቲ ቤተ ፈተነ 'WI-38' ዝብል ስም ኣጠመቐ። ድሕሪ ዓመታት ኣብቲ ቤተ ፈተነ ዝተፋረዩ ውሃዮታት ናብ ኣማኢት ቤተ ፈተነታት ክከፋፈሉ ክኣሉ። WI-38 ኸኣ እቲ ዝነወሐ ዕድመ ዘለዎ ኣብ ቤተ ፈተነ ዝተፋረየ ውሃዮ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ውሃዮ ንመማዕበሊ ክታበታት ፖልዩ፣ ንፍዮ፣ ዓሶ፣ሰሙን ጽግዕ፣ ፍሮማይ፣ ሕማም ቆርበት፣ ሕማም ሰርኖ ካልእን ውዒሉን ይውዕል ኣሎን። ፍልዩነት ናይዞም ውሃዮታት እንታይ እዩ? ቀጻልነቶምከ ብምንታይ ክውሓስ ይክኣል? ድሕሪ ሊዮናርዶ ሃይፍሊክ ውሃዩታት መወትቲ ምኻኑም ምርግጋጹ፡ እቶም ውሃዮታት ኣብ ቤተ ፈተነ ኣብታ ዝተመቐሉላ ኣብ መዝሓሊ ተዓቒቦም ኣብ ሓደ ግዜ 10,000,000,000,000,000,000,000 ዋሃዮታት ክርከቡ ከም ዝኽእሉ እዩ ደምዲሙ። እዚ ቁጽሪ ክንደይዶ ትብሉ ኣለኹም 22 ዜሮ ዘለዉዎ ኮይኑ 10 ሲክስቲሎን እዩ ዝብሃል። እቶም ኣብ ቤት ፈተነ ዝርከቡ WI-38 ዝብል ስም ዝተውሃቦም ውሃዮታት ብተዛማዲ እቲ ዝመቓቐልሉ ግዜ ዘገምታዊ ከምዝኸውን ስለዝተገበረ ቅድሚ ናብ 'ሃይፍሊክ ሊሚት' ብምብጽሖም ንውሕ ዝበለ ሰዓታት እዮም ዝወስዱ። ዝበዝሑ WI-38፡ 50 ግዜ እዮም ዝመቓቐሉ፡ ሓንሳብ ንኽመቐሉ ኸኣ 24 ሰዓታት ይወስሎም፡ ስለዚ ኩሎም ተመቓቒሎም ንኽውድኡ 50 መዓልታተ እዩ ዝወስደሎም። ክሳብ ሕጂ ተኻይዱ ብዘሎ ምርምር እቶም ካብ ናጽላታት ዝውሰዱ ውሃዮታት፡ ንግዳማውያን ቫይረሳት ዘይተቃልዑ ዝለዝኾኑ ኣብ ቤተ ፈተነ ንኸተራብሖም እቶም ኣዝዩም ውሕስነት ዝህቡ እዮም። ኣብ 2017 ልዮናርዶ ሃይፍሊክ እቲ ንሱ ኣብ 60ታት ዝረኸቦ ርኽበት ንኽንደይ ዝኣክል ህዝቢ ካብ ሞት ከምዘድሓነ ሕቶ ኣቕሪቡ ነይሩ። ንኹሉ ቅማረታት ኣብ ግምት ብምእታው እቲ WI-38 ዝሰመዩ ውሃዩ ልዕሊ 4.5 ቢልዮን ተመሓላለፍቲ ሕማማት ከምዝተኸላኸለን ንልዕሊ 10.3 ሚልዮን ሰባት ካብ ሞት ከምዘድሓነን'ዩ ዝግለጽ። ኣብ ኣመሪካ ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ ካብ WI-38 ዋህዩ ተወሲዱ ጸረ ፖልዩ ምስ ተሰረሐ ካብ 1979 ንድሓር ሓደ ሰብ ጥራይ'ዩ ፖልዮ ሓሚሙ።.","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61159148"} {"headline":"ብዝብኢ ክልተ ኣእጋሩ ስኢኑ ብህይወት ዝተረፈ ኢትዮጵያዊ መንእሰይ","content":"ብርሃኑ ዳባን ስድራኡን ኣብ ፍሉይ ዞባ ኦሮሞ፡ ቁሸት ቡራዩ ለኩ ኬታ እዮም ዝነብሩ። ዝሓለፈ  ሰሙን 04 ነሓሰ 2014 [ግእዝ] ረቡዕ መዓልቲ፡ ካብቲ ዝነብረሉ ሞጆ ብስድራቤታዊ ጕዳይ ከይዱ። ግን ኣይተዓወተን፤ ንጽባሒቱ  ናብ ቦታ ስርሑ ናብ ሞጆ ክምለስ ሓሲቡ ስለ ዝነበረ፡ ብርሃኑ ናብ ዓርኩ ቴሌፎን ይድውል። “ለይቲ ናብ ሞጆ ዝኸዳ መካይን ኣለዋ። ስለዚ ናብ ዊንጌት ከይደ ክስቀል ሓሲበ፡” ይብል። “ስርሐይ'ውን ሞጆ ስለ ዝዀነ ናብ ሓደ ዝፈልጦ ሰብ ደዊለ። ንሱ ድማ ‘ሎሚ ምሸት ክወጽእ እየ፡ ብሓባር ክንጓዓዝ ኢና፡ ጽባሕ ድማ ናብ ስራሕ ክተርክብ ኢኻ'\" ከምዝበሎ ቅድሚ እቲ ሓደጋ ዘጋጠመ ዝነበረ ኵነታት የረድእ። ብርሃኑ፡  ካብ ቡራዩ ናብ ኣስኮ እናተጓዕዘ እንከሎ ኣብቲ ብልምዲ ‘በግ ተራ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ከባቢ ሓደ ዝብኢ ከምዝረኣየ ይዝክር። ብርሃኑ፡ ኣብቲ ዝሓሰቦ ቦታ ቅድሚ ምብጽሑ ግን፡ ኣዛብእ ተተናኾልዎ። በዚ ምኽንያት ድማ ክልቲኡ ኣእጋሩ ስኢኑ። “ኣብ ጥቓ በግ ተራ ቝልቁለት እናወረድኩ ከለኹ፡ ሓደ ዝብኢ ናባይ ገጽ ክመጽእ ርእየ ነይረ። ብድሕሪኡ እንታይ ከም ዘጋጠመ ኣይዝክሮን እየ። ንጽባሒቱ ሰዓት ሓሙሽተ ነብሰይ ኣብ ሆስፒታል ረኺበያ፡\" ኢሉ። ብርሃኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኣካላቱ ብዝብኢ ተነኺሱ እዩ። በቲ መንከስቲ፡ ኣብ ሕቘኡ፡ ኢዱን እግሩን መጕዳእቲ ወሪድዎ እዩ። ካብ ኵሉ ዝኸፍአ ግን ኣብ እግሩ ዘጋጠሞ መጕዳእቲ እዩ ነይሩ። “ውነይ መስ ምስ ፈለጥኩ፡ ኣብ ሆስፒታል ደቂሰ ነይረ። ትሕቲ ብርከይ ዝዀነ ኣካል የለን። ስድራይ ኣብ ዙርያ እቲ ዝደቀስኩሉ ዓራት ደው ኢሎም ኣለዉ”። ምስ ተበራበረ፡ ንባዕሉ ኣብ ሆስፒታል ካብ ምርካቡ ወጻኢ፡ እንታይ ከምዘጋጠሞ ክዝክሮ ኣይከኣለን። “ናብ ሆስፒታል ዘምጽኣትካ ኣምቡላንስ ፖሊስ እያ ኢሎምኒ’ምበር፡ ብጭቡጥ ግን መን ከም ዘምጽኣኒ ኣይፈልጥን\" ይብል ብርሃኑ። “ትሕቲ ብርከይ ተጐዲአ እየ። ሓንቲ እግረይ ትሕቲ ዓንካርዓንካሪተይ የላን። የማነይቲ እግረይ ድማ ተንጠልጢላ ነይራ። ካብዚ ንላዕሊ እንተደሚኻ ክትመውት ኢኻ ኢሎምኒ፡ ስለዚ ተቘሪጻ\" ክብል ወሲኹ ይዛረብ። ብርሃኑ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ‘ሆስፒታል ኣቤት’ ሕክምና ይግበረሉ ኣሎ። ኣብቲ ሆስፒታል ክበጽሕዎ ዝመጹ ሰባት፡ ኣብ ማእከል ጥዕና ቡራዩ ቀዳማይ ረድኤት ምስተገብረሉ፡ ንተወሳኺ ሕክምና ናብዚ ሆስፒታል ክመጽእ ከምዝተገብረ- ከምዝነገርዎ ንቢቢሲ ኣብሪሁ። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ፖሊስ ከም ዝሕብርዎ፡ ንብርሃኑ ካብቲ ዝተጐድኣሉ ቦታ ኣልዒሎም ናብ ሕክምና ዝወሰድዎ ኣባላት ጸጥታ ናይቲ ከባቢ እዮም። ኢንስፔክተር መልካሙ ኣሰፋ ሓላፊ ክፍሊ ምርመራ ገበን ፖሊስ ቡራዩ እዩ። ኣብታ መዓልቲ፡ ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ፡ ሓይልታት ጸጥታ ንብርሃኑ ወዲቝ ከምዝረኸብዎ ንቢቢሲ ሓቢሩ። “ኣብቲ ቦታ ምስ በጻሕና፡ ሓንቲ እግሩ ምሉእ ብምሉእ ተበሊዓ። ካልኣይቲ እግሩ ትሕቲ ዓንካርዓንካሪቱ ተቘሪጹ። ጸጋማይ ጐድኑ ድማ ተበሲዑ።\" እቶም ኣባላት ጸጥታ ኣብቲ ቦታ ኣብ ዝበጽሑሉ፡ ኣዛብእ ክንቅዉ ከም ዝሰምዑ፡ ካብኡ ድማ ንብርሃኑ ኣልዒሎም ብመኪና ፖሊስ ናብቲ ዝቐረበ ማእከል ጥዕና ቡራዩ ከም ዝወሰድዎ ኢንስፔክተር መልካሙ ይዛረብ። ድሕሪኡ ናብ ሆስፒታል ንክኸይድ ከም ዝሓገዝዎ እቲ ኢንሰፔክተር ወሲኹ ገሊጹ። ኣብ ፖሊስ ቡራዩ ካብ ዝምደብ ሓጺር ግዜ ከምዝኾነ ዝገልጽ ኢንስፔክተር መልካሙ፡ ኣብታ ከተማ ሓሓሊፉ ከምዚ ዓይነት ፍጻመታት ከጋጥም ከምዝጸንሐ ሓበሬታ ከምዘለዎ ሓቢሩ።","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72zgwkkq2yo"} {"headline":"መካነ እንስሳታት ፈረንሳ ትሽዓተ ተዃሉ ድሕሪ ምምላጦም ንግዚኡ ተዓጽዩ","content":"ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ ሓደ መካነ እንስሳታት ንበጻሕቲ ክፉት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ትሽዓተ ተዃሉ ካብ ደምብኦም ኣምሊጦም ስለዝወጽኡ እቲ መካነ እንስሳታት ክዕጾ ሰበ ስልጣን እቲ ከባቢ ወሲኖም። በቲ ኣብ ደቡባዊ ፈረንሳ ዝርከብ መካነ እንስሳታት ትሮይስ ቫለስ ዘጋጠመ ሓደጋ ምምላጥ ተኳሉ ዛጊት ዝተጎድአ ሰብ የሎን። እቶም ተዃሉ ነቲ ናይ ድሕነት ሓጹር ኣዕኒዮም ብሓጹር ዘሊሎም’ኳ እንተምለጡ ካብ ቀጽሪ እቲ መካነ እንስሳታት ግን ኣይወጽኡን። ካብቶም ትሽዓተ ተዃሉ እቶም ኣርባዕተ ሕማቕ ጠባይ ስለዘርኣዩ ከምዝተቐተሉ በዓል ስልጣን እቲ ከባቢ ፋብየን ቾለት ንኤኤፍፒ ገሊጹ። እቶም ዝተረፉ ሓሙሽተ ድማ ናብ ደምቢኦም ተመሊሶም መደንዘዚ መርፍእ ከምዝተወግኡ ተፈሊጡ። እቶም ተዃሉ ካብ ደምበ ኣብ ዘምለጠሉ ግዜ ብዙሕ ሰብ ከምዘይነበረ ዝገለጸ ቾለት ናይ ድሕነት ጉዳያት ማዕልቦ ክሳብ ዝረክብ እቲ መካነ እንስሳታት ክዕጾ ኣለዎ ኢሉ። እቲ መካነ እንስሳታት ብሰንኪ ህጹጽ ስራሕቲ ክሳብ መፋርቕ ዝመጽእ ወርሒ ጥሪ ዕጽው ከምዝኸውን ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። ወናኒ ፓርክ ሳቩዩር ፌሬራ እቶም ተዃሉ ናብቲ መካነ እንስሳታት ኣብ ቀረባ ግዜ ከምዝኣተዉን ካብ ደምቢኦም ከምዘምልጡ ምስተፈለጠን እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ብቕልጡፍ ካብቲ ከባቢ ክርሕቑ ከምዝተገበረ ንኤኤፍፒ ገሊጹ። እቲ 60 ሄክታር ስፍሓት ዘለዎ መካነ እንስሳታት ኣናብስ፣ ኣህባይን ፍላሚንጎን ዝርከብዎም ልዕሊ 600 እንስሳት ዝሓዘ’ዩ። እቲ መካነ እንስሳታት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ’ውን ተዓጽዩ ከምዝነበረ ይዝከር።","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59789157"} {"headline":"ጓለይ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ብሓርገጽ ተወሲዳ''","content":"መዓልታዊ ዝሕተም ጋዜጣ ናሚብያ፡ ምስ ሓንቲ ኣደ ዝተገበረ ዘሕዝን ቃለ መሕተት ሒዙ ወጺኡ። እታ ኣደ : ሓሙሽተ ዝዕድሚኣ ጓላ፡ ሓርገጽ ናብ ኦኮቫንጎ ዝተባህለ ሩባ ጎቲቱ ሒዝዋ ክኣቱ ብዓይና ከምዝረኣየት ትገልጽ። ጓል 33 ዓመት ኢቭሊን ሙኩቨ፡ ንውላዳ ካብ መንጋጋ ሓርገጽ ክተናግፍ እኳ እንተተቓለሰት ኣይከኣለትን። \"ጓለይ ወሲዱዋ\" ክትብል ንጋዜጣ ዘ ናሚብያን ተዛሪባ። እታ ኣዶ ማይ ክትቀድሕ ናብቲ ሩባ ምስወረደት ጓላ ተኸቲላታ መጺኣ፤ ሽዑ እታ ህጻን ክትሕምብስ ክዳና ኣውጺኣ ናብቲ ሩባ ኣትያ። \"ከውጸኣ ምስከድኩ ክሳብ ብርካ ናብቲ ማይ ኣትያ ነይራ\" ትብል። ሽዑ እዩ እቲ ሓርገጽ መጥቃዕቲ ፈጺሙላ። \"ኡይ ክብል ኢለ ነይረ ግን ኣይከኣልኩን። ካብኡ ምስቲ ሓርገጽ ክገጥም ናብቲ ማይ ዘሊለ ኣትየ\" ብምባል ነቲ ዘጋጠማ ዘሕዝን ፍጻሜ ትዝክር ምኩቨ። \"ብጭርኡ ሒዘዮ፤ ግን በቲ ሓርፋፍ ጭርኡ ጫሕጊጉኒ ንጓለይ ሒዙ ተሸሪቡ።\" ውላዳ፡ ኣብ ኣፍ ሓርገጽ ኣትያ ምርኣያን ክትቀብራ ዘይትኽእል ምዃናን ከቢድ ሓዘን ፈጢሩላ ከምዘሎ እቲ ጋዜጣ ጸብጺቡ።","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60074299"} {"headline":"ናብ 10 ሃገራት ምብጻሕ ዘካየዱ ዕድለኛታት ደማሙ","content":"ኣብ ኣመሪካ ኒውዮርክ ዝቕመጥ በዓል ሞያ ሕጊ ዳን ምስ በዓልቲ ቤቱ ንሰለስተ ደማሙ ተሰኪሞም ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ይገሹ። ዛጊድ እቶም ዕድለኛታት ደማሙ ኣብ ኣመሪካን ኣውሮፓን ናብ 10 ቦታታት ምብጻሕ ከምዘካየዱ ተፈሊጡ።","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c8833y626lzo"} {"headline":"ሳይንስ፡ ሓሰማ ቀንዲ ፍልፍል ስግግር ኣካላት ወዲሰብ'ዶ ትኸውን?","content":"ስግግር ኣካላት ካብቲ ቅድሚ ሕዚ ዝሕሰብ ነዊሕ ርሕቐት ከይዱ ኣሎ፡፡ ንፈለማ እዋን ለውጢ ካብ ዝተገበረሉ ሰረት ዘርኢ ሓሰማ (ጀነቲካሊ ኢንጂኔርድ) ዝተወሰደ ልቢ ዝተሰጋገረሉ ሰብኣይ ንክልተ ወርሒ ብህይወት ክጸንሕ ክኢሉ እዩ፡፡ ስለዚ ኣካላት ሓሰማ( ሓሸማ) ንወዲ ሰብ ፍልፍል ዘይተደገበ ቀረብ ዝኾነሉ እዋን ማዕረ ክንደይ ቀሪቡ ይኸውን? ኣብቲ መጥባሕቲ ዝካየደሉ ክፍሊ ጽምዋ ዓሲሉ፤ ጭንቀት ዳርጋ ስጋ ለቢሱ ነታ ክፍሊ ከቢድዋ ኣሎ ፡፡ መጥባሕቲ ዘካይዱ ሓካይም ናይ ሓሰማ ኩላሊት ምስ ኣካል ወዲ ሰብ ኣራኸብዎ፡፡ ነቶም ናይ ደም ቧምቧታት ከፊቶም ናብ ኣካል እቲ ሓሰማ ደም ክኣቱ ገበሩ፡፡ ‘‘መርፍእ ክትወድቕ እኳ ትስማዕ’’ ትብል በዓልቲ ሞያ መጥባሕቲ ዶ\/ር ጀይሚ ሎክ፡፡ ምዕዋቱን ዘይምዕዋቱን ኣብ ሐጺር እዋን ክፍለጥ እዩ፤ ኣብ ናይ ሕድሕድ ሰብ ሓንጎል ግን ሓንቲ ሕቶ ኣላ. . . ‘‘ሮዛ ዶ ይኸውን ጸሊም?’’ እቲ ናይ ወዲ ሰብ ኣካል፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ባዕዳዊ ኣካል መጥቃዕቲ እንተፈጺሙ፡ ኣብ ሓድሕድ ዋህዮ ኩላሊት እቲ ሓሰማ ነዃላት ይቕደዱ፤ እቲ ኣካል ድማ ብደገን ውሽጥን ይረግእ፡፡ መጀመርታ ማክያ ይፈጥር፣ ቀጺሉ ሰማያዊ ይኸውን፤ ድሕሪ ደቓይቕ ድማ ጸለሎ ይኽደን፡፡ ሽዑ ንሽዑ እንድሕር ዘይነጺግዎ ግን እቲ ኣካል ደምን ኦክስጅንን እናተቐበለ ሮዛ ሕብሪ ይህልዎ፡፡ ‘‘ናብ ደስ ዘብል ናይ ሮዛ ሕብሪ ተቐዪሩ፤ እታ ክፍሊ ብስምዒት ታሕጓስ፣ ሩፍታን ተስፋን ተመሊኣ፡፡ ንሓድሕድና ዓሽካ ዓሽኪ ተባሃሂልና እውን ንኸውን’’ ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣላባማ እትሰርሕ ዶ\/ር ሎክ፡፡ እቲ መጥባሕቲ ካብቶም ኣብ ካብ እንስሳት ናብ ደቂ ሰብ ዝግበር ስግግር ኣካላት (ዜኖትራንስፕላንቴሽን) ዝተገበሩ ነጥቢ መቐይሮ ፈተነታት ሓደ እዩ፡፡ ኣብ ወዲ ሰብ ናይ እንስሳት ኣካላት ምጥቃም ነዊሕ ዕድመ ዝገበረ ሓሳብ እዩ፤ ካብ ፍረ ነብሲ ቺምፓንዚ ክሳብ ንወዲ ሰብ ቅርበት ናይ ዘለዎም እንስሳት ኩሊትን ልብን ንምትካእ ተፈቲኑ እዩ፡፡ ብፍላይ እቲ ካልአዋይ ቅልጡፍ ሞት ከስዕብ እዩ ተራእዩ፡፡ ምኽንያቱ ድማ ኣካላት ወዲ ሰብ ነቲ ዝተሰጋገረሉ ናይ እንስሳት ኣካል ከም ረኽሲ ሓሲቡ መጥቃዕቲ ስለዝፍጽመሉ እዩ፡፡ ኣብዚ እዋን ዘሎ ትኹረት ኣብ ሓሰማ እዩ፤ ምኽንያቱ ድማ መጠን ኣካላተን ንወዲሰብ ትኽክለኛ ስለዝኾነን ንዓኣተን ናይ ምርባሕ ናይ ነዊሕ እዋን ልምዲ ስለዘሎን እዩ፡፡ እንተኾነ እቲ ኣካላት ወዲሰብ ቀልጢፉ ናይ ምንጻግ ኩነት ግን ከምዘለዎ እዩ፤ እቲ ኣካል ሮዛ ዘይኮነስ ጸሊም ይኸውን፡፡ ብሱሩ እውን ናብ እንዳ ሓሰማ ኬድካ፣ ዝደለኻዮ ሓሰማ መሪጽካ፣ ጠቢሕካ ናብ ኣካላት እተሰጋግሮ ኣይኮነን፡፡ ሰረት ዘርኢ ሓሰማ ብመንገዲ ጀነቲክ ኢንጂነሪንግ ቀዪርካ ንወዲ ሰብ ዝምቹ ኣብ ምግባር ግን ዓበይቲ ምዕባለታት ተሳሊጦም እዮም፡፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየዱ ስግግራት ኩሊትን ልብን ‘’10-ጂን ፒግ’’ ካብ ዝተባህላ ብፍሉይ ዝማዕበላ ሓሰማታት ዝተወሰዱ እዮም፡፡ እቶም ኣካላት ንናይ ወዲ ሰብ ናይ ዕብየት ሆርሞናት ምላሽ ከይህቡ፣ ካብ ቁጽጽር ወጻእ ከይዓብዩን ባዕዳዊ ምዃኖም ዘርእይ ሞለክዩል ክውገድን ዝገብሩ ለውጢታት ይካየደሎም፡፡ ኣብ 2019 ጽምዲ ኩላሊት ሓሰማ፡ ናብ ኣእምሮኡ ዝሞተ ሰብነት ጂም ፓርሶንስ ተተኺሎም፡፡ ንሱ ምስ ሞተ ኣካላቱ ንኻልእ ሰብ ክወሃብ ቃል ኣትዩ ስለዝነበረ፡ ኩላሊቱ ንኻልእ ሰብ ተዋሂቦም፡፡ ብናይ ቤተሰቡ ፍቓድ ድማ ናይ ሓሰማ ኩላሊት ተተኪእሉ፡፡ ካብተን ኩላሊት እታ ሓንቲ ሽንቲ ምምንጫው ከምዝጀመረት እትሕብር ዶ\/ር ሎክ ነቲ ውጽኢት ‘‘ዘዕግብ ’’ ክትብል ዝገለጸቶ ኮይና፡ ካብ እንስሳት ዝግበር ስግግር ኣካላት ናይ ሰባት ህይወት ክልውጥ ከምዝኽእል ትዛረብ፡፡ ወዲ 57 ዓመት ደቪድ በነት፡ ከቢድ ናይ ልቢ ሕማም ኣጋጢምዎ ነይሩ፡፡ ኩነታቱ ነቲ ካብ ሰብ ዝግበር ናይ ልቢ ስግግር ዝምቹ ስለዘይነበረ ብህይወት ክትጸንሕ ብዝሕግዝ መሽን እናተረደአ ነይሩ፡፡ ንሱ ነቲ ካብ ሓሰማ ልቢ ናይ ምሰግጋር ሓሳብ፡ ‘‘ኣብ ጸልማት ከም ምትኳስ’’ ወይ ናይ ምዕዋት ዕድሉ ዝመንመነ ክብል ገሊጽዎ ነይሩ፡፡ ኣብ 7 ጥሪ ካብ 10-ጂን ሓሰማ ዝተወሰደ ልቢ ተገጢምሉ፡፡ ኮይኑ ግና ናይ በነት ዝሞተ ልቢ ሓቢጡ ስለዝነበረ እቶም ናይ ደም ቧምቧታት ምስታ ንኡሽቶ ናይ ሓሰማ ልቢ ንምርኻብ ከቢድ ኮይኑ ነይሩ፡፡ ኣካላቱ ነቲ ናይ ሓሰማ ልቢ ክነጽጎ ዶ ኸውን ዝብል ካልእ ጭንቀት እውን ነይሩ፡፡ ኮይኑ ግና እቲ ልቢ ምውቃዕ ቀጺሉ፤ ሕብሩ እውን ሮዛ ኮይኑ፡፡ ኣብ ህይወተይ ‘‘ነዚ ዝርእይ’’ ኣይመስለንን ነይሩ ይብል ዶ\/ር መሓመድ መሓመዲን፡፡ እቲ መጥባሕቲ ምስተኻየደ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣዛሪብዎ ከምዝነበረ ዝገልጽ ዶ\/ር መሓመዲን፡ ኣካላቱ ነቲ ዝተተከአሉ ልቢ ከምዘይተቐበሎ ዘርእይ ምልክት ከምዘይነበረን እንተኾነ ኣቶ በነት ተዳኺሙ ከምዝነበረን ገሊጹ፡፡ ‘‘ናብ ናይ 1960 መኪና ሓድሽ ናይ ፌራሪ ሞተር ነእቱ፡፡ እቲ ሞተር ጽቡቕ ይሰርሕ ኣሎ ግን ድማ እቲ ዝተረፈ ክፍሊ ኣካላት ክመዓራረ ኣለዎ’’ ክብል ይገልጾ፡፡ ኣቶ በነት ድሕሪ ክልተ ወርሒ ሞይቱ፡፡ ምኽንያቱን ምስቲ ስግግር ልቢ ዘለዎ ምትእስሳርን ግን ኣይተፈለጠን፡፡ ንሱ ቅድሚ እቲ ስግግር ኣዝዩ ተዳኺሙ ብምንባሩ ልቢ ምትካእ ጥራሕ እኹል ኣይነበረን፡፡ ሰብነቱ ነቲ ልቢ ከምዝነጸጎ ዘርእይ ምልክት እኳ እንተዘይሃለወ፡ ምክልኻል ኣካላቱ (ኢምዩን ሲስተም) ግን መጥቃዕቲ ይፍጽም ከምዝነበረ ዘመላኽት ዝርዝር መረዳእታ ኣሎ፡፡ እዚ ድማ እቲ ናይ 10-ጂን ሓሰማ ተወሳኺ ምዕባለታት ከምዘድልዮ ዘርእይ እዩ፡፡ ምናልባት እውን እቲ ጸገም ናይቲ ሓሰማ ዘይኮነስ ምስ ቅርጺ ኣካላትና ዝተተሓሓዘ ክኸውን ይኽእል፡፡ ደቂ ሰባት ደው ኢልና ስለእንኸይድ ልብና ኣንጻር ስሕበት መሬት ከቢድ ስራሕ እዩ ዝሰርሕ፡፡ ናይ ሓሰማ ልቢ ህይወት ሰብ ንምድሓን ከም ናይ ሰብ ልቢ ምዕሩይ ከኸውን ግድን ኣይኮነን ይብል ፕሮፌሰር ጆን ዋልዎርክ፡፡ ብዙሓት ሰባት ስግግር ልቢ ክግበረሎም እናተጸበዩ እዮም ዝሞቱ፡፡ ንሱ፡ ን 100 ሰባት 85 ምኢታዊት ናይ ምስራሕ ዕድል ዘለዎ ናይ ሰብ ልቢ ካብ ምሃብ፡ ን 1000 ሰባት 70 ምኢታዊት ናይ ምስራሕ ዕድል ዘለዎ ናይ ሓሰማ ልቢ ምሃብ ይምረጽ ይብል፡፡ ኣብቲ ዓውዲ ዘዕግብ ለውጢታት ከምዝተመዝገቡ እትገልጽ ዶ\/ር ሎክ ብወገና እቲ ካብ እንስሳት ናብ ደቂ ሰባት ዝግበር ኣካላት ናይ ምስግጋር መጥባሕቲ ብህይወት እናሃለወት ክዕወት እዩ ዝብል እምነት ኣለዋ፡፡","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60735013"} {"headline":"ስዑዳዊ በጻሒ ሃገር ኣብ ኡጋንዳ ብሓራምዝ ተረጊጹ ከምዝሞተ ተገሊጹ","content":"ኣብ ብሄራዊ ፓርክ ኡጋንዳ ዑደት ዝገብር ዝነበረ ስዑዳዊ በጻሒ ሃገር ብዕስለ ሓራምዝ ተረጊጹ ከምዝተቐተለ ተሓቢሩ። እቲ በጻሒ ሃገር ኣብ ውሽጢ እቲ ፓርክ ይንቀሳቐሱላ ካብ ዝነበረት መኪና ወሪዱ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ግዳይ መጥቃዕቲ ሓራምዝ ኮይኑ ተባሂሉ’ሎ። ንሱ ምስ ካልኦት ብጾቱ ብምዃን ነቲ ሙርቺሶን ብዝብል ዝፍለጥ ብሄራዊ ፓርክ ኣቋሪጾም ናብ ከተማ ኣሩዋ ይጓዓዙ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን’ዩ እቲ ሓደጋ በጺሕዎ። ምስ መሓዙቱ ቁሩብ ዕረፍቲ ክወስዱ ብዝብል ካብ ዝነበሩላ መኪና ከምዝወረዱ ድማ ተፈሊጡ’ሎ። ሽዑ እቶም ብዕስለ ዝመጽኡ ሓራምዝ ብቑጠዐ ከጓይይዎም ከምዝጀመሩን እቶም በጻሕቲ ዓዲ ድማ ናብ መኪንኦም ከምዝሃደሙ ተገሊጹ። እቲ በቶም ሓራምዝ ተረጊጹ ዝሞተ ስዑዳዊ ግን ኣርሒቑ ከይዱ ብምንባሩን ናብታ መኪና ብቕልጡፍ ተመሊሱ ከርክብ ብዘይምኽኣሉን’ዩ ንሞት ተቓሊዑ። ብሰሉስ 25 ጥሪ 2022 ምሸት ዘጋጠመ ሓደጋ ብሰፊሕ ክዝረበሉ ዝጀመረ ግን ብረቡዕ’ዩ ነይሩ። ሞት እቲ ስዑዳዊ በጻሒ ዓዲ ከምዘጋጠመ ዘረጋገጹ ሰበስልጣን እቲ ብሄራዊ ፓርክ፡ ኣብቲ ጉዳይ ተወሳኺ ምጽራይ ይካየድ ምህላዉ ገሊጾም ኣለዉ። ከምዚኦም ዝበሉ ሓደጋታት ከየጋጥሙ ብዝብል ኣገደስቲ ጥንቃቐታት ተደንጊጎም ኣብ ግብሪ ከምዝጸንሑ ድማ ኣዘኻኺሮም። ኣብ ብሄራዊ ፓርክታት ኡጋንዳ እንስሳት ኣብ ልዕሊ ሰባት ሓደጋ ከምዘብጽሑ ዝሕብሩ ጸብጻባት ክወጽኡ እዚ ንፈላማ እዋን ኣይኮነን። ቅድሚ ሎሚ’ውን ተመሳሰልቲ ሓደጋታት ክግለጹ ጸኒሖም’ዮም።","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60151445"} {"headline":"ኣመሪካዊት ኣደ ወዳ ንምድሓን ምስ ኣንበሳ ከረን ገጢማ","content":"ኣብ ክፍለሃገር ካሊፎርንያ ኣመሪካ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ንወዲ ሓሙሽተ ዓመት ውላዳ ካብ መጥቃዕቲ ናይ ከረን ኣንበሳ ኣድሒናቶ። እቲ ፍጻመ ኣብ ከተማ ካላባሳስ ዘጋጠመ ኮይኑ እቲ ቖልዓ ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ እናተጻወተ እንከሎ እዩ እቲ ኣንበሳ ጎቢጥዎ። እቲ ኣንበሳ ነቲ ህጻን ኣብ ፊት ገዝኦም ኣብ ዝነበረ ሳዕሪ ዝበዝሖ ሜዳ ጎሲሱ ክወስዶ ዝረኣየት ወላዲቱ፡ ናብ ደገ ጎይያ ብምውጻእ እቲ ኣንበሳ ነቲ ህጻን ክሳብ ዝሰዶ በኣእዳዋ እናሃረመት ተቓሊሳቶ። እቲ ህጻን ኣብ ርእሱን ገረንገረኡን ጉድኣት እኳ እንተበጽሖ፡ ሕጂ ኣብ ሆስፒታል ሎስኣንጀለስ ኣብ ደሓን ኩነታት ከም ዝርከብ ኣሶሽየትድ ፕረስ ጸብጺቡ። ሰብመዚ እንስሳ ዘገዳም ድሒሮም ነቲ ኣንበሳ ከም ዝረኸብዎን ብጥይት ከም ዝቐተልዎን ተገሊጹ። ወሃቢ ቃል ክፍሊ ዓሳታትን እንስሳ መሮርን ካፒቴን ፓትሪክ ፎይ ንኣሶሽየትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ እታ ኣደ \"ብሓቂ ንወዳ ኣድሒናቶ'ያ ኢሉ\"። ሓደ ኣባል ክፍሊ እንስሳ መሮር ናብቲ ከባቢ ምስ በጽሐ፡ ሓደ ናይ ከረን ኣንበሳ ኣብቲ ጫካ ተኾርምዩ ከም ዝረኣየን \"ናብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ስፍራ ብዝነበሮ ቅርበትን ሓፈሻዊ ኩነታቱን\" ንሱ ክኸውን ከም ዝኽእል ብምጥርጣር ከም ዝቐተሎን ሓቢሩ። ድሒሩ ዝተገበረ ናይ ዲኤንኤ መርመራ'ውን እቲ እንስሳ እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ህጻን መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ምዃኑ ተረጋጊጹ። ናይ ከረን ኣንበሳታት ኣብ ልዕሊ ሰባት መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ኣብ ኣሜሪካ ሳሕቲ ዝርአ እዩ። ክኢላታት ግና እቲ ኣንበሳ ብዕድመ ንእሽቶ ከም ዝኾነን፡ ሃድን ጌና ይመሃር ምንባሩን ምግላጾም ሲቢኤስ ኒውስ ሓቢሩ።","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58382472"} {"headline":"ኣውስትራልያ፡ ብድምጺ ኣዕዋፍ ዝተሰርሐት ኣልበም፡ ሓንቲ ካብ ዝበለጻ ሓሙሽተ ኣልበማት ኮይና","content":"ሙሉእ ብሙሉእ ብድምጺ ኣብ ሓደጋ ምጥፋእ ዝርከባ ኣዕዋፍ ኣወስትራልያ ዝተሰርሐት አልበም ሙዚቃ፡ ኣብ ደረጃ ሰደቓ ሓሙሽተ ብሉጻት ደርፊታት ኣወስትራልያ ኣትያ። እታ ብ'ሶንግስ ኦፍ ዲስኣፒራንስ' እትፍለጥ አልበም ንሙዚቃታት ኣባን ጀስቲን ቢበርን ሓዊሱ ንደርፍታት ክሪስማስ ሚካኤል ባብልን ማርያ ኬሪን እውን በሊጻተን ኣላ። እታ ብበርድላይፍ ኣወስትራልያ ዝተዳለወት ኣልበም፡ ኣብ ምጥፋእ ናይ ዝርከባ 53 ኣዕዋፍ ደምጺ ዝሓዘት እያ። ናይ ገሊአን ኣዕዋፍ ሓጺር ድምጺ ንምቕዳሕ፡ እቶም ኣዳለውቲ ንሰዓታት ኣብ ጫካ ክጸንሑ ተገዲዶም እዮም። ናይ እንስሳት ዘገዳምን ኣዕዋፍን ድምጺ ዝቐድሕ ደቪድ ስቲዋርት፡ ድምጸን ሓሓሊፉ ናይ ዝስማዕ እንስሳት ኣወስትራልያ ኣብ ምቕዳሕ ልዕሊ 30 ዓመታት ኣሕሊፉ ። ኣብታ ኣልበም ዝተጠቓለሉ ድምጺታት ድማ ካብ ናቱ መዝገብ ዝተወሰዱ እዮም። እታ ኣልበም ኣብ 3 ታሕሳስ ምስ ወጸአት፡ ናብ መሸጣ ሰደቓ ሙዚቃ ኣርያ ክትኣቱ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጎስጓስ ተጀሚሩ፤ ሰሚሩ ድማ። ሶንግስ ኦፍ ዲስኣፒራንስ፡ ብተመሳሳሊ ቅዲ ካብ ዝተሰርሑ ሙዚቃታት ኣብቲ ሰደቓ ናብ ደረጃ ሓሙሽተ ቀዳሞት ዝኣተወት ፈላመይቲ ኣልበም እያ። ኣታዊ እታ ኣልበም በርድላይፍ ኣወስትራልያ ንዘሳልጦ ናይ ዕቀባ መደብ ክውዕል እዩ ተባሂሉ። \"እታ ኣልበም ተሓባቢርና እንድሕር ዘይሓሊናየን፡ ክጠፍኣ ናይ ዝኽእላ ውሑዳት ኣዕዋፍ ድምጺ ዝሓዘት ፍልይቲ ቅዳሕ እያ\" ኢሉ ኣካያዲ ስራሕ በርድላይፍ ኣወስትራልያ ፓወል ሱልያን። መጽናዕቲ ዩኒቨርሲቲ ቻርለስ ዳርዊን ከምዘመልክቶ ሓንቲ ካብ ሽዱሽተ ኣዕዋፍ ኣወስትራልያ ኣብ ሓደጋ ምጽናት እያ እትርከብ። እዚ ማለት ካብ 1299 ዓሌታት እተን 216 ኣብ ምጥፋእ እየን ዝርከባ። ብተወሳኺ ክሊማዊ ለውጢ ምጽናት ኣዕዋፍ የቀላጥፍ ከምዘሎ እቲ መጽናዕቲ ይሕብር። ኣብ 2019ን 2020ን ዝነበረ ሓያል ባርዕ መሮር እውን ኣብ መንበሪ እንስሳት ከቢድ ዕንወት ዘብጸሐ ኮይኑ፡ መጠን ንምጥፋእ ዝወተቓላዓ ዓሌት ኣዕዋፍ ብ 25 ምኢታዊት ክውስኽ ገይሩ።","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59678817"} {"headline":"ኮቪድ-19፡ ኣብ መዕቆቢ አንስሳት ሳንድያጎ፡ ንኣህባይ ናይ ፈተነ ክታበት ኮቪድ-19 ተዋሂቡ","content":"ኣብ መዕቆቢ እንስሳት ሳንዲያጎ ኣብ ዓበይቲ ኣህባይ ኮሮናቫይረስ ድሕሪ ምልብዑ፡ ብዙሓት ኣህባይ ንእንስሳታት ዝተዳለወ ናይ ፈተነ ክታበት ኮቪድ-19 ከምዝተውሃቦም ተገሊጹ፡፡ ኣርባዕተ 'ኦራንጉታን' ከምኡ ድማ ሓሙሽተ 'ባኖቦስ' ዝዓሌተም ኣህባይ ነፍሲወከፎም ዞቲስ ዝተባህለ ትካል መድሃኒት ዘፍረዮ ክልተ ብልቃጥ ክታበት ተዋሂቡዎም ኣሎ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ኣብ መዕቆቢ እንስሳት ሳንዲያጎ፡ ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም 8 'ጉሪላታት' ፈላሞት እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ኣህባይ እዮም፡፡ እቶም ኣህባይ፡ ካብቲ ቫይረስ ይሓውዩ ከምዝለዉ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ሰብሞያ ሓለዋ እንስሳት ግና ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ ኣህባይ ዘሎ ስግኣት እቲ ለበዳ ኣሻቒልዎም ኣሎ፡፡ ብፍላይ ኩነታት እቶም ኣብ ሓደጋ ምጽናት ተመዝጊቦም ዝርከቡ ዓሌት ጉሪላ ከምዘሻቕሎም እቶም ሰብ ሞያ ይዛረቡ፡፡ ኣብ መዕቆቢ እንስሳት ሳንዲያጎ ላዕለወይቲ በዓልቲ ሞያ ሓለዋ፡ ናዲን ላምበርስኪ፡ ፈተነ እቲ ክታበት ዘይተለመደ ምዃኑ ብምግላጽ ‘‘ብክንድዚ ቅልጣፈ ናይ ፈተነ ክታበት ክቕርብ ርእየ ኣይፈልጥን፤ ነቲ ክታበት ንምርካብ ድማ ከምዚ እዋን ዓብዪ ድልየት ሓዲሩኒ ኣይፈልጥን’’ ኢላ፡፡ ኣብ 1994 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ፡ ፈላማይ መጥባሕቲ ልቢ ዝተገበረላ ካረን ተባሂላ እትጽዋዕ ኦሮንጉተን፡ ካብተን ክታበት ዝተውሃበን ኣህባይ እያ፡፡ ኣብቶም ክታበት ዝወሰዱ ኣህባይ ዘተፈለየ ጎናዊ ሳዕቤን ከምዘይረኣየት እትገልጽ ላምበርስኪ፡ ዕውትነት እቲ ክታበት ንምርግጋጽ ኣብ ቀረባ ምርመራ ኣንቲቦዲ ከምዝግበረሎም ተዛሪባ፡፡ ኮሮረናቫይረስ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ እንስሳት ብሮንክስ ኣብ ኣናብስን ነብርታትን፡ ኣብ ባርሴሎና ድማ ኣብ ኣናብስ ከምዝተረኸበ ይፍለጥ፡፡ እቲ ቫይረስ ብተመሳሳሊ ኣብ ድሙን ከልብን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ እንስሳት ዝተርኣየ ኮይኑ፡ መጠን እቲ መልከፍቲ ግን ብሓፈሻ ውሑድ እዩ፡፡ ትካል ኣፍራዪ መድሃኒት ዞይስ፡ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሆንግ ኮንግ ኣብ ከልቢ ምስተረኸበ ክታበት ምምዕባል ዝጀመረ ኮይኑ፡ እቲ ክትበት ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ንከልብን ድሙን ውሑስ ምዃኑ ተረጋጊጹ እዩ፡፡ እቲ ክታበት ክሳብ ለካቲት እዚ ዓመት ኣብ ካልኦት እንስሳት ዘይተፈተነ እንትኾን፡ ንከልብን ድሙን ዝወሃብ ክታበት ንኣንበሳን ነብርን ምሃብ ልሙድ ከምዝኾነ በዓልቲ ሞያ ሐለዋ እንስሳት ላምበርስኪ ንናሽናል ጂኦግራፊክ ተዛሪባ፡፡","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56290762"} {"headline":"12 ኣኽላባቶም 'ኮቪድ የመሓላልፉ ኣለው' ብዝብል ዝተቐተልዎም ሰብሓዳር ጓሂኦም ይገልጹ","content":"ቬትናማውያን ሰብ ሓዳር ኣብቲ ዝነብሩሉ ከባቢ መልከፍቲ ኮቪድ ምስ በዝሐ፡ ምስ 12 ኣኽላባቶም ካብቲ ዝነብሩሉ ኣውራጃ ብሞተር ሳይክል ናብ ካልእ ቦታ ግዒዞም። ኣጋጣሚ ኮይኑ ከኣ እቶም መጻምድቲ ብኮቪድ ተለኺፎም ንሆስፒታል ምስ ኣተው፡ እቶም ሰበ ስልጣን ናብ መንበሪ ገዝኦም ብምኻድ ነቶም 12 ኣኻላባቶም ኮቪድ የመሓላልፉ ኣለው ብምባል ቐቲሎሙሎም። ሰራሒ ሕጡብ ወዲ 49 ዓመት ፋም ሚኒህ ሃንግ \"እቲ ቕትለት ምስተፈጸመ ኣነን ሰበይተይን ኣምሪርና ስለ ዝበኸና ክንድቅስ ኣይከኣልናን\" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ። \"ብሓቂ ከምኡ ከም ዘጋጠመ ክኣምን ኣይደለኹን። ንደቀይ ካብ ሓደጋ ክከላኸለሎም ዋላ ሓንቲ ክገብር ኣይከኣልኩን\" በለ ነቶም ደቀይ ዝበሎም ኣኽላባቱ ብምጥቃስ ። እቲ ዘጋጣመ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቲክቶክ ምስተራእየ ኣብ ቬትናም ዓብዪ ቁጠዐ ፈጢሩ። ከምዚ ዓይነት ተግባር ክቋረጽ ዝጽውዕ ልዕሊ 150,000 ናይ ጥርዓን ፌርማታት ተኣኪቡ ኣሎ። ቀልቢ ሰባት ምስሓብ ለበዳ ኮቪድ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ከምዚ ሓድሽ ናይ ኮቪድ ማዕበል ገይሩ ንቬትናም ኣየጥቀዓን። ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ሓያል ዕጽዋ ምስተኣወጀ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ካብ ኢዶም ንኣፎም ዝድራሮም ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ጉልበታዊ ዕዮ መነባብሮኦም ክመርሑ ስለዘይከኣሉ ካብተን ዓበይቲ ከተማታት ክሃድሙ ተገዲዶም። ወዲ 35 ዓመት ፊም ሚንህ ሁንግን፡ ንጉየን ታይ ቺ ኤምን ካብቶም ብዙሓት እዮም። ብ8 ጥቅምቲ ምስ ደርዘን ኣኽላባቶምን ሰለስተ ኣዝማዶምን ኰይኖም ነቲ ነዊሕ ጉዕዞ 280 ኪ.ሜ. ጀሚሮሞ። እቶም ኣዝማዶም እውን ሰለስተ ኣኽላባትን ሓደ ድሙን ነይሮምዎም። እቶም ሰብ ሓዳር፡ ናብታ ብዙሕ ናይ ኮቪድ ዛንታ ዘይብላ ካሃን ሁንግ እትብሃል ኣውራጃኦም ከይዶም ። ኣኽላባቶምን ንብረቶምን ሒዞም ብሞተር ብሽክለታኦም እናተጓዕዙ ዘርኢ ቪድዮ ብመገዲ ኢንተርነት ብማሕበራዊ መራኸቢታት ይዝርግሑዎ ስለዝነበሩ ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ውሑስን ሕጉስን መገዲ ክገብረሎም ምንዮቶም ይገልጹሎም ስለዝነበሩ ብዙሕ ሰብ እዩ ፈሊጡዎም።። እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ንኣኽላባቶም ካብ ዝናብ ክከላኸሉሎም ፕላስቲክ ዘርጊሖም ከዕቅሉዎም ስለዝረኣዩዎም ብልቢ ተደናጊጾሙሎም። መግብን ማይን ዝለኣኹሎም ሰባት እውን ነይሮም። እቶም ሰብ ሓዳር 15 ኣኽላባት ሒዞም እዮም ነቲ ጉዕዞ ጀሚሮምዎ። ኣብ ቅድሚ ናብ ኣውራጃ ቻ -ማው ምእታዎም ንሓደ ወለንተኛ ክልተ ካብ ኣኻልቦም ሂቦምዎም፡ ሓደ ካብኦም ኣብ መገዲ ስለዝሞቶም 12 ኣኻልብ ሒዞም እዮም ኣትዮም። እቶም ሰብ ሓዳርን እቶም ሰለስተ ኣዝማዶምን ናብ ካንህ ሁንግ ምስ ኣተው ናይ ኮቪድ መርመራ ገይሮም 'ፖዚቲቭ' ስለዝጸንሑ ሕክምናዊ ሓገዝ ክረኽቡ ናብ ሆስፒታል ተላኢኾም። ኣኽላባቶም ከኣ ኣብ መጽንሒ ማእከል ተወሺቦም ተሪፎም። ይኹን እምበር እቶም ሰበ-ስልጣን ናይቲ ምምሕዳር ከባቢ ነቶም 12 ኣኽላባቶምን ነቶም ናይ ኣዝማዶምን ንማንም ከይነገሩን ከይሓበሩ ከም ዝቐተልዎ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ገሊጻ። ጸኒሑ እቲ ትሕዝቶ ካብቲ መርበብ ተኣልዩ። እቶም እንስሳታት ብኸመይ ከም እተቐትሉ ብንጹር ዝፍለጥ የለን። ይኹን እምበር እታ ወግዓዊት ጋዜጣ ፖሊስ፡ እቶም ኣኻልብን ሓንቲ ድሙን ብሓዊ ከም ዝነደዱ ዝሕብር ምስሊ ዘርጊሖም ነይሮም። ቲራን ታን ኮንግ ዝተባህለ በዓል ስልጣን፡ \"እቲ ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ምክልኻል ሕማም እዩ። ስለዝኾነ እቲ ብኡ ንብኡ ነቶም ንእንስሳታት ንምቕታል እተገብረ ውሳነ ኣድላዪ ናይ ግድን ናይ ምክልኻል ግዴታን እዩ ነይሩ\" ክብል ኣብቲ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ተዛሪቡ። 'ባርባራዊ ተግባር' ብዙሓት ሰባት፡ ነቲ ውሳነ \"ሕሱም\" ከምኡውን \"ልቢ ዝሰብር\" ብማለት ቅልጡፍ መልሰ ተግባር ክወሃብ ጸዊዖም ኣለው። ኣባል ዓለምለኻዊ ማሕበር ድሕነት እንስሳታት ፍልጥቲ ስነጥበበኛ ተዋሳኢት ሆንግ ነቲ ተግባር \"ባርባራዊ\" ኢላ ድሕሪ ምጽዋዓ፡ ናብቲ ትካል ናይ ጥርዓን ወረቐት ክትልእኽ ምዃና ሓቢራ ። እቲ ቅትለት \"ዘይስነ-ምግባራዊ\" ከምኡውን \"ጨካን\" እዩ ነይሩ ክትብል ነቒፋቶ። ምኽንያቱ፡ ዝኾነ ይኹን እንስሳ ዋናታቱ ብኮቪድ እንተ ተለኺፎም ይቀተሉ ዝብል መምርሒ የለን\" ክብል ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ከተማ ሆፕ ናሽናል መዲካል ማእከል ዝሰርሕ ነቭየን ሆንግ ቩ እተባህለ ሰራሕተኛ ሓቢሩ ። \"ኣኽላባትን ደማሙን፡ ኮቪድ ናብ ሰባት ከም ዘመሓላልፉ ዘረድእ ስነ-ፍልጠታዊ መርትዖ የሎን። በንጻሩ እኳ ደኣ ኮቪድ ዝሓመሙ ዋናታት ሓደ ሓደ ግዜ ንእንስሳታቶም ከሕልፉሎም ይኽእሉ እዮም \"ይብል ዶ\/ር ንጉየን ። ኣብ ቴክሳስ ኣብ እተገብረ መጽናዕቲ፡ ካብ 39 ብኮቪድ እተለኽፉ ስድራ ቤታት ን76 ኣኽላባትን ደማሙን መርመራ ምስተገብረሎም፡ ሰለስተ ደማሙን ሓደ ኸልብን ጥራሕ ከም እተለኽፉ ኣረጋጊጹ እዩ። እቶም ዝሓመሙ እንስሳታት እውን ሰዓል መሰል ምልክት እዮም ኣርእዮም ኵላቶም ከኣ ቀልጢፎም ሓውዮም። \"ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ነቲ ኩነታት ብብቕዓት ምእላይ ብዙሕ መገድታት ኣሎ። ንኣብነት ነቶም እንስሳታት ክሳብ ዋናታቶም ተሓኪሞም ዝሓውዩ ኣብ ጋብያታት መወሸቢ ማእከል ክጸንሑ ምኸኣሉ ነይሮም። ምስ ኣዝማድ እቶም ዋናታት ወይ እውን ምስ ክኢላታት ሰራሕተኛታት እንስሳ እውን ክጸንሑ ምኸኣሉ\" ይብል ዶ\/ር ንጉየን። 'ናይ ኵናት ዓይነት ኣተሓሳስባ' ቬትናም ኣብ ምጅማር እቲ ለበዳ ብዝገበረቶ ቅልጡፍን ዕውቱን ምክልኻል ብውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ተናኢዳ እያ ። ይኹን እምበር: እቲ ደልታ ዝተባህለ ሓዲሽ ዓይነት ዘርኢ ኮቪድ ግን ኣብ ከቢድ ቅልውላው ኣእትዩዋ። ክሳብ ሕጂ ኣስታት 840,000 ሕሙማት ኮቪድን ብድምር ልዕሊ 20,000 ሰባት ከም ዝሞቱን ጸብጻብ ኣሎ ። እቲ ዝበዝሕ መልከፍትን ሞትን ከኣ በቲ ደልታ ዝተሰምየ ሓዲሽ ዘርኢ ኮቪድ ዘጋጠመ ማዕበል መልከፍቲ እዩ ስዒቡ። ቀዳማይ ሚኒስተር ፋም ሚንህ ቺንሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቬትናም \"ምስቲ ቫይረስ ተኸኣኢልካ ንምንባር\" መደብ ክህሉ ኣለዎ እኳ እንተ በለ: ነቲ ቫይረስ ንምቍጽጻር ግን ብዙሕ ጻዕሪ እያ ገይራ ። ብዙሓት ሰባት ነቲ ቫይረስ ብምዝርጋሕ ተኸሲሶምን ገሊኦም ድማ ንሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዶምን እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ደቡባዊ ኣውራጃ ቢንሁ ዱንግ፡ ሓያሎ ኣባላት ፖሊስ ናብ ሓደ ሰፊሕ መንበሪ ኣባይቲ ደፊኦም ብምእታው\" ንሓንቲ ኣደ ንእሽቶ ወዳ እናበኸየ፡ መርመራ ኮቪድ ንክትገብር ጐቲቶም ክወስዱዋ እንከለው ዘርኢ ቪድዮ ተዘርጊሑ ነይሩ። ስለዝኾነ እቶም ሰበ-ስልጣን ነቶም እንስሳ ምቕታሎም ብዙሕ ዘገርም ኣይኮነን ትብል ለ ኣን። \"መንግስቲ ቬትናም ኣንጻር ኮሮናቫይረስ ንዝግበር ቃልሲ ዝለዓለ ቦታ እዩ ዝህቦ። ሃገር ኣብ ኩናት ኮቪድ ስለዘላ 'ነዚ ለበዳ ምቅላስ ምስ ጸላኢ ምቅላስ እዩ' ዝብል ጭርሖ እዩ ዘለዎ። ብዝኾነ ይኹን መገዲ ንኮቪድ ክንስዕሮ ኣሎና ዝብል መንፈስ እዩ ዘሎ። ኣብ እዋን ኲናት ከኣ ርትዓውን ሰብኣውን ባህሪ ክትጽበ ኣይትኽእልን ኢኻ \" ትብል ። ሚስተር ፋም፡ እቲ ዝኸበደ ነገር እቶም ዝፈትዎም ኣኽላባተይ ከም እተቐትሉ ምፍላጠይ እዩ ። በቲ ቅትለት ከኣ እቶም ሰበ ስልጣን ተሓተትቲ እዮም። \"ንደቀይ ንሽዱሽተ ዓመት ተኸናኺነ እየ አዕብየዮም - ስለዚ ግቡእ ፍትሒ እደሊ እየ\" ካብል ካብቲ ብሕክምና ተዓቚቡሉ ዘሎ ሆስፒታል ተዛሪቡ።","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59257960"} {"headline":"ኣብ ሂውስተን፡ ንሰሙን መመላእታ ጠፊኡ ዝጸንሐ ነብሪ ተረኺቡ","content":"ኣብ ጎደናታት ሂውስተን ክዛውን ድሕሪ ምርኣዩ ንሰሙን መመላእታ ጠፊኡ ዝቐነየ ነብሪ ከም ዝተረኽበ፡ ፖሊስ ኣረጋጊጹ። እቲ 'ህንዲ' ዝስሙ ናይ ትሽዓተ ኣዋርሕ ዕድመ ዘለዎ ነብሪ፡ ብቐዳም ከም ዝተረኽበን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና ከም ዘሎን ተሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ እቲ ነብሪ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል እታ ከተማ እናዞረ የርእይ። እቲ ነብሪ ብ9 ግንቦት ኣብ ጎደናታት ምርኣዩ ፖሊስ ሓበሬታ ምስ በጽሖ ናብቲ ቦታ ኣብ ዝተንቀሳቐሰሉ፡ ሓደ ሰብኣይ ነቲ ነብሪ ኣብ መኪና ጽዒኑ ከም ዝተሸርበ ፖሊስ ሓቢሩ። ፖሊስ ነቲ ሰብኣይ ክከታተሎ እኳ እንተፈተነ ክረኽቦ ኣይከኣለን። እቲ ነብሪ ሰንበት ናብ መኻነ እንስሳ ክርከብ ምዃኑ ተገሊጹ። ወናኒ እቲ ነብሪ ምዃኑ ዝግለጽ፡ ሁጎ ኬቫስ ካብ ፖሊስ ብምህዳሙ፡ ድሕሪ ገለ መዓልታት ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። ንሱ ኣቐዲሙ ብቅትለት ተኸሲሱ ብዋሕስ እዩ ተፈቲሑ ነይሩ። ጠበቓ ሚስተር ኬቫስ፡ ንኣሶሼትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዓሚሉ ወናኒ እቲ እንስሳ ናይ ከም ዘይኮነ ግና ኣብ ምእላይ እቲ እንስሳ ከም ዝዋሳእ ተዛሪቡ። በዓልቲ ቤት ሚስተር ኬቫስ ነቲ ነብሪ ናብ ፖሊስ ከም ዘረከበቶ፤ ፖሊስ ብቐዳም ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። እቲ ነብሪ ኣበይ ከም ዝጸንሐ ዛጊት'ኳ እንተዘይተነጸረ፡ ኣብ ውሑስ ገዛውቲ ተዓቚቡ ክኸውን ከም ዝኽእል ኮማንደር ፖሊስ ሂውስተን ሮን ቦርዛ ኣቐዲሙ ሓቢሩ ነይሩ። ሚስተር ቦርዛ ብቐዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ \"ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ከምኡ ዝኣመሰለ እንስሳ ኣብ ገዛኹም ክትሕዙ ኣይግባእን። ዕድመ እቲ እንስሳ ትሽዓተ ኣዋርሕ ጥራይ እኳ እንተኾነ፡ ድሮ 80 ኪሎ ግራም እዩ ዝምዘን። ከቢድ ሓደጋ ከውርድ ይኽእል እዩ\" ኢሉ። ኣብ ክፍለ ሃገር ቴክሳስ ነብሪ ምውናን ዝፍቀድ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ከተማ ሂውስተን ግና ክልኩል እዩ። ብመሰረት ሓበሬታ 'ዎርልድ ዋይልድላይፍ ፈንድ' ኣብ ኣሜሪካ ኣስታት 5,000 ዝተቐየዱ ነብሪ ኣለው።","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57140451"} {"headline":"ክሊማዊ ለውጢ፡ ብሰንኪ ኣብ ብራዚል ዘጋጠመ ባርዕ ጫካ 17 ሚልዮን እንስሳታት ከምዝሞቱ ተገሊጹ","content":"ኣብ 2020 ኣብ ብራዚል ዘጋጠመ ባርዕ ጫካ ለመምቲ፣ ኣዕዋፍን መጥበውትን ዝርከብዎም ልዕሊ 17 ሚልዮን እንስሳታት ከም ዝሞቱ ተመራመርቲ ስነ ከባቢ ብራዚል ኣብ ዝገበርዎ መጽናዕቲ ገሊጾም። እቲ ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ሕዳር 2020 ኣብ ጫካታት ብሪዚል ዘጋጠመ ብርቱዕ ባርዕ 30 ሚኢታዊት ናይቲ ካብ ዓለም ዝዓበየ ትሮፒካዊ ጥሉል መሬት ዝኾነ ጫካ ከም ዘብረሶ እቲ ኣብ 'ጆርናል ሳይንቲፊክ' ዝወጽአ ጸብጻብ ገሊጹ። ላዕለወይቲ ሓላፊት ናይታ መጽናዕቲ ዘካየደት ጉጅለ፡ ዶክተር ማርያና ናፖሊታኖ ኣብቲ ዓመት ኣብ ብራዚል 22 ሽሕ ግዜ ባርዕ ጫካ ከም ዘጋጠመ ገሊጻ። ምቑጻር ሬሳታት እቲ ኣብ 2020 ዘጋጠመ ባርዕ ኣዝዩ 'ገሃነማዊ' ምንባሩ ዝገለጸ ኣብ ዩኒቨርስቲ ማንቸስተር ክኢላ ስነ ኸባቢ ዝኾነ ዶክተር ኣሌክስ ሊ፡ በቲ ተደጋጋሚ ባርዕ ዘጋጠመ ዕንወት ፈጺሙ ክጽገን ዘይክእል ምዃኑ ገሊጹ። ብምስዓብ \"ከምዚ ዓይነት ባርዕ ፈጹሙ ንቡር ኣይነበረን፤ ምስ ደረቂ ናይቲ ከባቢ ዝተሓሐዝ ምዃኑ ግን ኣዝዩ ብሩህ እዩ። ኣብዚ እዋን ግን ብተደጋገሚ ይኽሰት ኣሎ\" ኢሉ። እቲ መጽናዕቲ ሬሳታት ናይቶም በቲ ባርዕ ናይ ዝሞቱ እንስሳታት ብምቑጻር ምርኵስ ገይርካ ከም ዝተኻየድ እዮም እቶም ተመራመርቲ ገሊጾም። እቶም ተመራመርቲ ናብቲ ባርዕ ዘጋጠመሉ ቦታታት፡ ድሕሪ ባርዕ ምግጣሙ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ይብጽሕዎ ምንባሮምን በቲ ባርዕ ዝሞቱ እንስሳ ይረኽቡ ምባሮምን ገሊጾም። ኣብ ትዕዝብቶም ልዕሊ 300 ዓሌታት ዝሞቱ እንስሳ ከም ዝረኸቡ ገሊጸም። ነቲ ንሶም ዝዳህሰስዎ ቦታ ምስ ግፍሒ እቲ ብባርዕ ዝተሃሰየ ቦታ ብምንጽጻር ግምታዊ ቁጽሪ ናይቶም ዝሞቱ እንስሳ ክፈልጡ ከም ዝኽኣሉ ኸኣ ሓቢሮም። ዶክተር ዋልፊሮዲ ሞራለስ ቶማስ ካብ ኢንስቲቱት ኢምብራፓ ፓንታናል ብራሲልያ ንቢቢሰ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ \"በቲ ተገሊጹ ዘሎ ቁጽሪ ኣይግረምን'የ\" ብምባል እቲ ባርዕ ዝሸፈኖ ስፍሓት መሬት ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ቁጽሪ ልዕሊኡ ክኸውን ከም ዝኽእል ሓቢሩ። እቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ትሪፒካዊ ጥሉል መሬት ኣብ ሃገራት ብራዚል፣ ፓራጓይን ቦሊቭያን ዝርከብ ኮይኑ ምዕቖቢ ናይ ብዙሓት ዓሌታት እንስሳት እዩ። ኣብቲ ካብ 140,000 ክሳብ 160,000 ትርብዒት ኪሎ ሜትር ስፍሓት ዘለዎ ጥሉል መሬት፡ ነብሪ፣ ፍሒራን ኣዕዋፍን ዝርከብዎም ኣሽሓት ዓሌታት እንስሳታት ከም ዝነብሩ መጽናዕትታት ይሕብሩ። እቲ መጽናዕቲ፡ ክሊማዊ ለውጢ ካብ ዘኸትሊ ዘሎ ብዙሕ ነገራት ሓደን ቀንድን ባርዕ ጫካታት ምዃኑ ገሊጹ።","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59694165"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ደበና ኲናት ዘንጸላለዎ ክረምትን ኩነታት ሓረስቶት ክልል ትግራይን","content":"ወዲ 60 ዓመት ኣይተ ገብረማርያም፡ ነባሪ ጣብያ ዓፀላ ኮይኖም፡ ኣቦ ሽድሸተ ስድራ እዮም። ቅድሚ ሕዚ ኣብነታዊ ሓረስታይ ተባሂሎም ይሕረዩን ይሽለሙን ነይሮም። ኣብዚ እዋን ግና ጥሪቶም ኩሉ ስለዝተዘመተ ኣይኮነን ንማሕረስ፡ ዝበልዕዎ ጥር ዝብል ምግቢ ከምዘይብሎም፡ ሕርቕርቕ እናበሉ፡ ካብ ሓደ ዓውዲ ካብ 30 ክሳብ 100 ኩንታል ይረኽቡ ከምዝነበሩ የውግዑ። ዓፀላ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ፡ ራያ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ትርከብ ኣብ ወረዳ ኣላጀ ዝተደኮነት ጣብያ'ያ። መነባብሮ ህዝቢ እቲ ከባቢ ኣብ ሕርሻ ዝተሞርኮሰ ምዃኑ ይፍለጥ። \"እህህህም. . . መስኖ፣ ሞተርለ ነብሩኒ። ካብ ሞዴል ሞዴል ስለድነበርኹ፡ ሕዚ ደለኽዎ ኣነፃፂረ ንምውጋዕ ኣፀጋሚ እዩ። . . . ሕዚ ኣሽንባይ ንኻልእ [ንዘርኢ] ንዛ ንኣፍና ትብላዕ እኳ የብልናይ። ሕዚ ድግበር ነገር ስለዘየለ፡ ምናልባት መንግስቲ እንድሕር መፅዩ፡ መንግስቲ ዘርኢ መዳበርያ ተምፀአለይ፡ ካሽዑ ሓሪሰ ይቀላቐል ኣለኹ እየ\" ይብሉ። ከምቲ ንቡር፡ ሓረስታይ ትግራይ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዓውዲ ምስ ኣከበ፡ ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ እዩ ግራቱ ምልስላስን ምሕራስን ዝጅምር። ሎሚ ግን፡ ብሰንኪ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወለዐ ኲናትን ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ሓይልታት ኤርትራን ፍሉይ ሓይሊን ምልሻታት ኣምሓራን ነቲ ግራውቲ ድፋዕ ስለዝገበሩዎ፡ ሓረስታይ እቲ ከባቢ ክሓርስ ከምዘይፈቕድሉ ይገልፁ፡ ኣይተ ገብረማርያም። \"ካብቲ ከባቢ ፈንተት ዝበለ፡ ናሓደ ኪሎ ሜትር ድረሓቐ ተኾይኑ ድማ፡ ሓረስታይ ድሕሪ ኣርባዕተ ሰዓት (ረፋድ) ማሕረስ ይጅምር'ሞ ድሕሪ ሽድሽተ ሰዓት ይንቀሳቐስ\" ብምባል፡ ሓረስታይ ኣብ ራዕድን ፍርሕን ከምዝርከብ ይሕብሩ። ማሕረስ ምኽልካል ጥራይ ዘይኮነ፡ ጥሪትን ንብረትን ከምዝዘምቱ እውን ኣይተ ገብረማርያም ይዛረቡ። እንተኾነ ግን ቢቢሲ ነቲ ኩነታት ባዕሉ ይኹን ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይክኣለን። እቶም ሓይልታት፡ ኣብቲ ከባቢ ምህላዎምን ዘይምህላዎምን እናተጸናጸኑ ኣብዚ ቅነ ክሓርሱ ዝፍትኑ ዘለዉ ሓረስቶት እቲ ወረዳ፡ ከም ልሙድ ዝዘርእዎ ምሩፅ ዘርኢ ኮነ መዳባርያ እንተዘየለ'ኳ፡ 'ለውጢ ይመጽእ ይኾን' ብዝብል ተስፋ ማሕረስ ይፍትኑ ከምዘለዉ ይዛረቡ። ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ሓረስታይ ንዕዳጋ ከይዱ፡ ተረጋጊኡ ስርሑ ከሳልጥ'ውን ስግኣት ከምዘለዎ ይገልፁ። \"ሰበይቲ ከይዳ ከይትሽምት ምስቲ ኩነታት ኣይጥዕምን። ሰብኣይ'ውን ዕዳጋ ኣይወፍርይ።… እቲ ህዝቢ 'እግዚኣብሄር ድገብሮ ኣይፍለጥይ እሞ ንሓርስ'ዩ ዝብል። እቲ ገዛና ቀትሪ ይኹን ለይቲ ማዕረ እዩ፡ ኩሉ ለውጢ የብሉን ለይቲ እያ እኒሃ\" ይብሉ። ሰበ ስልጣን ሓይልታት ምክልኻል ፈደራል ግን ነቲ ክሲ \"ባህሪ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምኡ ኣይኾነን\" ብምባል ይነጽጉዎ። ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ እውን 'ጸለመ እዩ' ይብሉ። ብመንግስቲ ፌደራል ኣብ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምኽትል ኣፈጻሚ ስራሕ ዝኾነ ኣቶ ኣበበ ገብረሂወት ብወገኑ፡ \"ሓረስታይ ትግራይ ከይሓርስ ብሰራዊት ኤርትራ ፀቕጢ\" ከምዝግበርን፡ ብፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ከኣ ናብ ትግራይ ዘርእን ማዳባርያን ከይኣቱ ኣብ መገዲ ክልከላታት ከምዝግበር ንቢቢሲ ገሊፁ። ሓይልታት ህወሓት'ውን ኮነ ኢሎም ኣብዝን ኣብትን ተኹሲ ብምኽፋትን እቲ ጎንፂ ክቕፅል ብምግባርን፡ ህዝቢ ሃዲኡ ከይነብር ኣበርክቶ ይገብሩ ከምዘለዉ ከሲሱ። 'ሕዚ መፀ እናተብሃለ ኢና ንሓርስ' ኣብ እዋን ሰላም ካብ ሄክታር ክሳብ 30 ኩንታል እኽሊ ዝሓፍሱ ዝነበሩ፡ ኣቦ ኣርባዕተ ስድራ፡ ነባሪ ወረዳ ቦራን ሓረስታይ መረሳ ብወገኖም፡ ብዕስለ ኣምበጣ ዝተሸገረ ሓረስታይ ዓውዲ ከይኣተወ ኲናት ስለዝጀመረ ብዙሕ ከምዝተጓሳቖለ ይገልፁ። \"ኣብዚ ሰሙን ዝናብ ምስ ጀመረ ገሊኡ ብዕራይ ዘለዎ ምሕራስ ጀሚሩ ደኣምበር፡ ቅድሚኡ ድተሓረሰ የለይ። ሓረስታይ ኣብ ድተጎሳቐለ ናብራ እዩ እኒሆ። ገሊኡ ማሽላ ዝዘርእ ምሕራስ ዝጀመረ እነሆ፤ ብዕራይ ዘይብሉ ግና ሱቕ'ዩ ኢሉ … እቲ ዝተበደለ እማ ታይ ክገብር ኮይኑ፡ ሓደጋ'ዩ\" ይብሉ ሓረስታይ መረሳ ከባቢኦም ምስ ክልል ኣምሓራ ስለዝዳወብ ብነፃነት ክሓርሱ ከምዘይከኣሉ ብምግላጽ። \"ሕዚ ናደንገፅና፡ ሕዚ መፀ እናተብሃለ ኢና ንሓርስ። ሕዚ ብዘይ ማዳበርያ ምሩፅ ዘርእን ኢና ንሓርስ ዘለና። …እቲ መሬት'ውን ኣይተለሳለሰን፡ ሱቕ ኢልኻ ኣብ ኣፉ እዩ። ሎሚ ቅነ ምሕራስ ዝጀመርና፡ ካባና ወፅዮም ናብ ኣላጀ ስለዝደየቡ እዩ'ምበር ንሶም ናሃለዉ ሓረስታይ ኣይሓርስይ።\" ገለ ሓረስቶት ኣብዑሮም ዝተወስዱዎምን ድርቆኦም'ውን (ሓሰሮም) ተቓጸሎምን ሓረስቶት ከምዘለዉ ዝሓበሩ ኣይተ መረሳ፡ \"ኣብዚ ከባቢና (ወረዳ ቦራ) ሓደ ሰብ፡ ብ [ወተሃደራት] ኤርትራ ፅምዲ ብዕራይ ዝተወረሶ እኒሆ\" ብምባል፡ እቲ ዝፈልጥዎ ፍፃመ ንቢቢሲ ሓቢሮም። እንተኾነ ግን ቢቢሲ ነቲ ሓበሬታ ብናጻ ወገን ከረጋግጾ ኣይከኣለን። ብፍላይ ኣብ ወረዳ ቦራ ወተሃደራት ጥሪት ሓሪዶም ከምዝበልዑን ኣኻይሽ ቀዲዶም ጣፍ ናብ ሓመድ ምንስናሶም ከምዝፈልጡ ተዛሪቦም። ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ናይ ምልሻ ብረት 'ኣበይ እኒኦ' እናበለ፡ ንገባር ከምዛሳቕይዎ ብምግላፅ፡ \"ኣብ ከባቢና ብዙሓት ሓረስቶት ቀቲሎም\" ኢሎም። ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮሎኔል ጌትነትከ እንታይ ይብል? ኮሎኔል ጌትነት፡ ሰራዊት እታ ሃገር ግቡኡ ዝፈልጥ እዩ፤ ብምባል እቲ ብሓረስቶት ዝቐረበ ቅረታ ማይ ዘይቛፅርን ክብል ነፂግዎ። \"…. ሓረስታይ ትግራይ ኣብቲ ከቢድ ዶባዊ ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን እኳ ብከቢድ መሳርሒ ኩናት ብየማንን ፀጋምን ልውውጥ ተኹሲ ኣብ ዝነበረሉ ሜዳታት ይሓርስ ዝነበረ ጥንኩር ሓረስታይ'ዩ። የግዳስ መንእሰይ ብሕርሻ ኮነ ብልምዓት ከይሰርሑ፡ ናብ ኩናት ንምድጓን ዝፅዕር ዘሎ ህወሓት እዩ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሕጊ ኮነ ብሞራል እዚ ክገብር ኣይኽእልን\" ብምባል ንህወሓት ከሲሱ። ፍሉይ ሓይልን ምልሻን ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ሓረስታይ ትግራይ ፈፂሞም ብዛዕባ ዝተብሃለ ክልከላ፣ ዝምታን ግፍዕን ብዝምልከት ድማ፡ እቲ ክሲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ማዕቐብ ንምንባርን ፀቕጢ ንምፍጣርን ናይ ዝግበር ወፍሪ ፕሮፖጋንዳ ኣካል ምዃኑን፡ [እቲ ሰራዊት] ሕጋዊ ወይ ኣግባብ ምስ ዘለዎ ምምሕዳርን ኣካላት ፀጥታ ሓቢሩ ከምዝሰርሕን ንቢቢሲ ገሊፁ። ነቲ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ሓረስቶት ፈፂምዎ ዝተብሃለ ቅትለት ብዝምልከት ከኣ፡ \"ክሕሰብ'ውን ኣይኽእልን። ብጣዕሚ ብዙሓት ክስታት'ዮም ዝቐርቡ። ….እቲ ሰራዊት ብናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ስነ-ልቦናን ሞራልን ዝወፅአ እዩ፤ ኣዲኡን ኣቡኡን፡ ኣሓቱን ኣሕዋቱን ብፍፁም ክቐትል ኣይኽእልን\" ክብል ይምልሽ። \"ኣብ ግራት ፈንጂ ተኺሎም\" ኣብ ገጠራት ገለበዳ፣ ተምቤን ዙርያ ምላሽ፣ ወርዒ፣ ዓዴት ከተማታት፣ ዕዳጋ ዓርቢ ዙርያ ምላሽ፣ ፈረስ ማይ፣ እንትጮ፣ ነበለት፣ እምባስነይቲ፣ ሓውዜንን'ውን ሓረስቶት ግራውቶም ከይሓርሱን ከየለሳልሱን ከምዝተኽልከሉ ምንጭታት ቢቢሲ ይገልፁ። ሰራዊት ኤርትራ፡ ሓረስቶት ግራውቶም ንከይሓርሱን ነቲ ግራውቲ ፌንጂ ከምዝተኸሉሉ'ውን ይኽሰሱ። ይኹን እምበር እቲ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ኤርትራ ግቡእ ምላሽ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰመረን። ኣብ ትግራይ ኵናት ካብ ዝጅመርን ሰራዊት ኤርትራ ፈጺሙዎ ብዛዕባ ዝበሃል ቅትለት፡ ዓመጽ፡ ዝምታን ብዝምልከት፡ ኣፈኛ መንግስቲ ኤርትራ ኣይተ የማነ ገብረመስቀል \"ጸለመ\" እዩ ክብል እዩ ምላሽ ዝህበሉ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዛዕባ'ቲ ኩነታት እንታይ ይብል? ምክትል ፈፃሚ ስራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ኣበበ ገብረሂወት፡ እቲ ኣብ ሓረስቶት ትግራይ ይፍፀም ኣሎ ዝተብሃለ በደል ንምፍታሕ ምስ ክልል ኣምሓራን ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገርን ይላዘቡ ከምዘለዉ ንቢቢሲ ገሊፁ። ብፍላይ ብክልል ኣምሓራ ኣቢሉ ዝመፅእ ማዳባርያን ዘርእን፡ ናብ ትግራይ ከይኣቱ ብፍሉይ ሓይልን ምልሻን ስለዝዕገት ብመገዲ ክልል ዓፋር ክጥቀሙ ከምዝተገደዱ ይሕብር። ብወገን ኣምሓራ፡ መዳባርያ ወይ ዘርኢ ሒዘን ዝመፅኣ መካይን ንክልተ ሰለስተ መዓልቲ ጠጠው ስለዝብላ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ 1300 ኪሎ ሜትር ብዝርሕቀቱ መገዲ ናብ ትግራይ ከምዘእትው ይዛረብ። ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ክልል ንክወጽእ ጻዕርታት ይግበር ምንባሩ'ውን ኣእተ ኣበበ ሓቢሩ። \"ናይ ሻዕብያ ሰራዊት ናብ ዶቦም ከንሳሕቡ ኩነታት ኣብ ምምችቻው ስለንርከብ ሓረስታይ'ውን ኣብ ማሕረሱ ትኹረት ገይሩ ንክሓርስ ፃዕሪ ይግበር ኣሎ'ዩ፡ ዝተወሰነ ለውጢ እውን ኣሎ እዩ\" ዝብል ምላሽ ሂብሉ። እቲ ኮነ ተባሂሉ ዝግበር ዘርኢ ናይ ምብታንን መሳርሒ ሕርሻ ናይ ምስባርን ኩነታት ጠጠው ንምባል፡ ሰራዊት ምክልኻል ሓላፍነት ወሲዱ ይንቀሳቐስ ኣሎ ይብል፡ እቲ ብዓል ስልጣን። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ትግራይ ኣብዝን ኣብትን ደባይ ውግእ ይካየድ ብምህላዉ ሰባት ተረጋጊኦም ከይነብሩ ፅልዋ ከምዝፈጠረን፡ ሓይልታት ህወሓት'ውን ተኹሲ ስለዝፈጥሩን፡ ሰብ ካብቲ ዝነበሮ ከባቢ ተደናጊፁ ከምዝሃድም ይገልፅ። \"ከይሕረስን ሰላምን ፀጥታን ከይህሉን ብምግባር፡ ኣብ ደቡብ ትግራይ ንዘሎ ፀገም ጎንፂ ናይ ህወሓት'ውን ግደ ኣለዎ። ኮነ ተባሂሉ፡ ትግራይ ሰላም ከይትረክብ፡ እቲ ኩናት ከምዝቕፅል ገይሮም የንቀሳቕስዎ ኣለዉ። ጎንፂ እንተልዩ ድማ ሓረስታይ ከመይ ጌሩ ይሓርስ\" ይብል፡ ኣይተ ኣበበ። ሕቶ ምሩፅ ዘርእን ማዳበርያን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ናብ ልዕሊ 12 ወረዳታት ምሩፅ ዘርኢ ከምዘባፅሐ ዝገልፅ እቲ ሓላፊ፡ ማዳበርያ ድማ ናብ ሽረን ማእኸላይን ከባቢ፡ ናይ ምብፃሕ ስራሕቲ ከምዝሰርሑ ይሕብር። ምሩፅ ዘርኢ ናብ ሓረስታይ ንምብፃሕ፡ ከም ጂኣይዜድ፣ ዩኤስኤይድ ማረትን ዝኣመሰላ ትካላት ሓላፍነት ወሲደን ይሰርሓ ከምለዘዋን፡ ከም ግዝያዊ ምምሕዳር ድማ ብዙሓት ሰባት ንክሕግዙ ይንቀሳቐሱ ከምለዉ ይዛረብ። \"ጂኣይዜድ ሕዚ ብዘርኢ እንድሕር ዘይበፅሕ ኮይኑ ብገንዘብ ከከፋፍል ኢሉ ይንቀሳቐስ ኣሎ\" ዝበለ ኣይተ ኣበበ፡ ማዳባርያ'ውን ብሕብረት ስራሕ ማሕበራት ኣቢልካ ናይ ምክፍፋል ስራሕቲ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፁ። ሓረስቶት ገንዘብ ከፊሎም ስለዘይኽእልዎ፡ ዛጊድ ብልቓሕ ናብ ልዕሊ 12 ወረዳታት ኣከፋፊሎም ከምዘለዉ ወሲኹ ሓቢሩ። እንተኾነ ኣየኖት ወረዳታት ከምዝኾነ ኣየነፀረን። ኣይሲኣርኤስ 11134፣ ማረት 30 ሽሕ ኩንታል፣ ኤጂፒ ዝበሃል ድማ 12 ሽሕ፣ ሴቭ ዘ ፉቸር ዝበሃል ድማ 4 ሽሕ ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ ከከፋፍሉ ጀሚሮም ከምዘለዉ ኣብሪሁ። ዩኤስኤይድ ትራክተር ንክግዛእ 54 ሚልየን ብር ሓገዝ ከምዝገበረን፡ ኬር ንማረት ዘረከቦ 20 ትራክተር ሓዊሱ፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ድማ ተወሳኺ 20 ትራክተር ንምግዛእ ኣብ መስርሕ ከምዝርከቡ ይገልፅ። ኣብ ትግራይ ዘይሕረስ መሬት ከይህሉ፡ ከምቲ ኣብ ግዘ ወራር ኣምበጣ ዝነበረ መናእሰይ ሓቢሮም ክሰርሑ ወፍሪ ከምዝጀመሩን ወረዳታት ብትራክተር ንክሓርሳ ምስ ማረት ይስራሕ ከምዘሎ ይሕብር። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝተወልዐ ኩናት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ከምዘብቀዐ እኳ እንተገለፀ፡ እቲ ኲናት ብምቕጻሉ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ብቐደሙ'ውን ውሕስነት ምግቢ ዘይፀንሓ ትግራይ፡ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡላ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ። ጥምየትን ምፍንቓልን ትካላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት፡ ኣብ ትግራይ ሓያል ጥሜት ከየጋጥም ስግኣተን ክገልጻ ጸኒሐን'የን። ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 350 ሽሕ ሰባት ኣብ ኩነታት ዓፀቦ ይነብሩ ከምዘለዉ፡ ብሕቡራት ሃገራት ዝምወልን ውሕስነት ምግቢ ዝቆፃፀርን ጉጅለ ዘዳለዎ ፀብፃብ ሓቢሩ'ሎ። ትካል ምግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት፣ ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ዩኒሴፍን፡ ነዚ ቅልውላው ህፁፅ ፍታሕ ክግበር ፀዊዖም ኣለዉ። ዝተፈላለያ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ድማ፡ ኣብ ትግራይ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰልን ደው ክብልን፡ ኩሎም ተቐናቐንቲ ሓይልታት፡ ረድኤት ብዘይገደብ ክሓልፍ ከፍቕዱን ብተደጋጋሚ ይምሕፀኑ ኣለዉ። እቲ ሸውዓተ ወርሒ ዝገበረ ኵናት ሂወት ኣሽሓት ሰባት በሊዑ፣ ልዕሊ 1.7 ሚልዮን ዜጋታት ድማ ካብ መረበቶም ኣመዛቢሉ፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ንሱዳን ክስደዱ ኣገዲዱ። ኣብዚ እዋን ኣስታት 5.2 ሚልዮን ሰባት፡ ማለት 90 ሚኢታዊት ናይ ህዝቢ ትግራይ ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ከምዘድልዮ ውድብ ምግቢ ዓለም ኣፍሊጡ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ክራማት ክሓርስን ክዘርእን እንተዘይኪኢሉ ኣብ ትግራይ ከቢድ ፀገም ከጋጥም ከምዝኽእል ሰብ መዚ ሕርሻን ዝምልከቶም ኣካላትን ከጠንቅቑ ምፅንሖም ይፍለር።","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57361913"} {"headline":"ክሊማዊ ለውጢ፡ ጠንቂ ፍትሕ 'ኣልባጥሮስ' ተባሂለን ዝጽውዓ ኣዕዋፍ ምዃኑ መጽናዕቲ ይገልጽ","content":"መብዛሕትኡ እዋን ጾታዊ ዝምድና ዘቋርጸሉ ምኽንያት፡ እቲ ዝነበረ ቁልዒ ሓዊ ምስ ዝጠፍእ ወይ ከኣ ንሓድሕድካ እኹል ግዜ ክትህብ ምስዘይትኽእል'ዩ። ክሊማዊ ለውጢ'ኸ ፍትሕ ወይ ምቁራጽ ጾታዊ ዝምድናታት ከስዕብ ይኽእልዶ ይኸውን? ሓደ ኣብ 'ኣልባጥሮስ' (albatross) ተባሂለን ዝጽውዓ ኣዕዋፍ ባሕሪ ዝተገብረ ስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ ሓቂ ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ። መውስቦ መጻምድቲ ኣልባጥሮስ ኣዝዩ ጹኑዕ ምዃኑ'ዩ ዝፍለጥ። እንተ ሎሚ ሎሚ ግና ኣይግድን- ኣብ ማሕበረ-ዑፍ ኣልባጥሮስ ፍትሕ በዚሑ ይብሃል ኣሎ። 'ከመይ ይብል ለባም' ከምዝብሃል፡ እንታይ ተረኽበ ትብሉ ትኾኑ። ኣብ ሓደ 'ሮያል ሶሳይቲ ጆርናል' ዝተባህለ ስነፍልጠታዊ መጽሄት ዝወጸ መጽናታዊ ጽሑፍ ከምዝበሎ፡ ኣብ ልዕሊ 15,500 መጻምድቲ ኣዕዋፍ ኣልባጥሮስ መጽናዕቲ ተኻይዱ ነይሩ። እቲ 15 ዓመታት ዝወሰደ ምርምራዊ ምክትታል ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ኣብ ዝርከባ ደሴታት 'ፎልክላንድ ኣይላንድስ' እዩ ተኻይዱ። ብመሰረቱ ፍትሕ ኣልባጥሮስ፡ ብናይ ሰብ ቋንቋ ክረአ እንከሎ፡ ምውሻም'ዩ። እዚ ማለት ከኣ ሓደ ኣካል ናይ ጽምዲ ምስ ካልእ ዑፍ ጾታዊ ርክብ ምስዝፍጽም'ዩ ዝኽሰት። ልክዕ ከምቲ ናይ ደቂ-ሰባት፡ ኣብ ልባጥሮስ'ውን ሕልኽላኽ ዝመልኦ ኣተዓባብያ'ዩ ዘለዎም። መጻምድቲ ንምርካብ ዝግበር ጻዕርታት ይፈሽልን ይዕወትን። ኣብ መወዳእታ፡ ትሰማምዖ\/ዝሰማምዓ ምስ ረኸቡ ግን፡ ክሳብ ፍጻመ ሂወቶም ሓዳሮም ኣጽኒዖም'ዮም ዝነብሩ። ሓደ ሚእታዊት ካብ መጻምድቲ ኣልባጥሮስ ጥራይ'ዮም ፍትሕ ዝመርጹ- እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝረአ መጠን ፍትሕ ሰባት ኣዝዩ ዝተሓተ'ዩ። \"ኣሚናዊ መውስቦን [ሞኖጋሚ] ንነዊሕ ዝቕጽል ዝምድናን ኣብኣቶም [ኣልባጥሮስ] ልሙድ'ዩ\" ይብል ፍራንቸስኮ ቬንቱራ፡ ተመራማሪ ፓርቱጋላዊ ዩኒቨርሲቲ ሊስበንን ሓደ ካብ ጸሓፍቲ ናይቲ መጽናዕታዊ ጸብጻብን። እንተኾነ ግን፡ ኣብተን መጠን ዋዒ ማይ ዝወሰኸለን 15 ናይ መጽናዕቲ ዓመታት፡ 8 ሚእታዊት ጽምድታት ኣልባጥሮስ ተፈላልዮም። 'ኩነታት ኣከባቢ ዘንቀሎ ፍትሕ' እቲ መጽናዕቲ ከምዘነጽሮ፡ \"ኣከባብያዊ ኩነታት ዝደረኾ ፍትሕ፡ ካብቲ ኣቓልቦ ከይረኸበ ዝጸንሐ ሳዕቤናት\" ክሊማዊ ለውጢ ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ። ኣብ ማሕበረ-ዑፍ ኣልባጥሮስ ሳሕቲ ዘጋጥም ፍትሕ፡ መጻምድቲ ክወልዱ ምስዘይክእሉ'ዩ ዝኽሰት። ኣብ ዝቕጽል ናይ ወሊድ ወቕቲ ድማ ካልእ መጻምድቲ ሃሰው ይብሉ ማለት'ዩ። ብመሰረት እቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ግን፡ መጻምድቲ ዋላ ምስ ወለዱ'ዮም ክፈላለዩ ጀሚሮም ዘለዉ። ጠንቂ ናይዚ ሓድሽ ክስተት'ዚ ድማ ክልተ ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም። እቲ ቀዳማይ፡ ዝምድና-ማዕዶ ንምዕቃቡ ቀሊል ዘይምዃኑ'ዩ። ብሰንኪ እናወዓየ ዝኸደ ማያት ውቅያኖሳት፡ እተን ኣዕዋፍ ዕለታዊ መግበን ንምምእራር ርሑቕ ይበራን ነዊሕ ይወስደለንን። ስለዚ፡ ሓደ ናብ ሃድን ዝኸደ ኣካል ናይቲ ጽምዲ ኣብቲ ዝቕጽል ናይ ወሊድ ወቕቲ ኣብ ግዚኡ ምስዘይምለስ፡ እቲ ዝተረፈ ካልእ መዋስብቲ ከናዲ ይግደድ። እቲ ካልኣይ ክልሰ-ሓሳብ ድማ፡ ኣብ ጽንኩር ኣከባቢታት፡ ንኣብነት ማያት ኣብ ዝውዕየሉ፡ ናይ ኣልባጥሮስ ናይ ጭንቀት ሆርሞናት መጠን ክብ ይብል ዝብል'ዩ። ብሰንኪ እናጸንከረ ዝኸይድ ኩነታት ወሊድን ሕጽረት መግብን ዝፍጠር ጭንቀት ድማ፡ ኣብ መንጎ መጻምድቲ \"ኣድማዕነት ዘይምህላው\" ዝወለዶ ምክሳስ ክፍጠር ይኽእል- እዚ ድማ ኣብ መወዳእታ ናብ ፍትሕ ከምርሕ ይኽእል'ዩ ይብል ፍራንቸስኮ። እቲ መጽናዕቲ፡ ብዝሒ ኣዕዋፍ ባሕሪ ኣልባጥሮስ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን'ዩ ወጺኡ ዘሎ። ኣብ 2017 ዝወጸ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ ቀጽሪ ዝፋረዩ ጽምድታት ናይቶም ኣዕዋፍ ካብቲ ኣብ 1890ታት ዝነበረ ብፍርቂ ጎዲሉ ነይሩ። ኣብቲ እዚ ሓድሽ መጽናዕቲ ዝተኻየደሉ ደሴታት ፍልክላንድ፡ ናይ ብዝሒ ጸገም'ኳ እንተዘየለ፡ ኣብ ካልኦት ኣልባጥሮስ ዝርከብሉ ከባቢታት ግን ስግኣት ከምዘሎ'ዩ ፍራንቸስኮ ዝገልጽ። \"መጠን ዋዒ ይውስኽ ኣሎ፡ እዚ ድማ ተወሳኺ ምፍንጣሕ ከኸትል ይኽእል እዩ\" ድማ ይብል።","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59469258"} {"headline":"ክሊማዊ ለውጢ፡ በካሊ ጋዝ ንምጉዳል ከብቲ ኣብ ሽቓቕ ክሸና ዝገበረ ዕዉት መጽናዕቲ","content":"ከብቲ፡ ነቶም ክሊማዊ ለውጢ ዘስዕቡ ናብ ኣየር ዝብተኑ ጋዛት 'ግሪንሃውስ' ንምንካይ፡ ከብቲ ናብ ዓይኒ-ምድሪ (ሽቓቕ) ምኻድ ክላመዳ ከምዝኽእላ ተመራመርቲ ገሊጾም። ኣብቲ ኣብ ጀርመን ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ተመራመርቲ ነተን ከብቲ ናብቲ ንዐአን ተባሂሉ ዝተሰርሐ ሽቓቕ ከይደን ክሸና ኣለማሚዶመን። ሽንተን ተኣኪቡ ካብ ብከላ ናጻ ናብ ዝኾነሉ ኩነታት ተመስሪሑ። ሽንቲ ከብቲ፡ 'ኣሞንያ' ዝተባህለ ባእታ ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ መሬት ምስተኻዕወ 'ኒትሮስ ኦክሳይድ' ዝተባህለ በካሊ ጋዝ ይፈጥር። ብዓለም ደረጃ ካብ ዝወጽእ ግሪንሃውስ ጋዝ፡ እቲ 10 ሚእታዊት ካብ ኣሓ (ከብቲ) ከምዝወጽእ ጸብጻባት ይገልጹ። ኣብቲ ዝተገብረ ፈተነ፡ እቶም ተመራመርቲ ን16 ኣሓ ኣብቲ \"ሙ…ሉ\" (MooLOO) ክብሉ ዝጸውዕዎ ሽቓቕ ምሻን ከምዘለማመድወን ሓቢሮም። እተን ኣሓ ኣብቲ ናይ ሽቓቕ ደንበ ኣትየን ምስ ዝሸና፡ ሞሳአን መግቢ ከምዝዋሃባ ተገይሩ። ብድሕሪ'ዚ ኣብ ጥቓ'ቲ ሽቓቕ ኣብ ዘሎ ቦታ ከምዝጸንሓ ተገይሩ። ባዕለን ናብቲ እንዳ ሽንቲ እንድሕሪ ከይደን ድማ ናይ መግቢ ሽልማት ይዋሃበን። እተን ካብቲ ዝተመደበለን ሽቓቕ ወጻኢ ዝሸና ድማ፡ ከም መቕጻዕቲ ንሰለስተ ካልኢታት ብማይ ይግጨባ። ነቲ መጽናዕቲ ንምዕሟቑ ተባሂሉ ድማ፡ እቲ እንዳ ሽንቲ ካብቲ ዝጸንሓሉ ከምዝርሕቕ ተገይሩ። ሕጂ'ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ሽልማትን መቐጻዕትን ቀጺሉ። ድሕሪ 10 ፈተነታት፡ እቶም ተመራመርቲ 11 ካብተን ከብቲ ኣብ ሽቓቕ ክሸና ከምዝተላማመዳ ኣስተውዒሎም። \"ቀልጢፈን፡ ካብ 15 ክሳብ 20 ዘሎ ናይ ሽንቲ ግዜ፡ እተን ከብቲ ባዕለን ናብቲ እንዳሽንቲ ይኸዳ\" ክትብል ሓንቲ ካብቶም ተመራመርቲ ዝኾነት ሊንድሰይ ማቲዎስ ንራድዮ ኒውዝላንድ ተዛሪባ። \"ኣብ መወዳእታ፡ ሰለስተ ርብዒ ካብተን እንስሳ፡ ሰለስተ ርብዒ ናይ ሽንቲ ግዚአን ኣብቲ ሽቓቕ ፈጺመን\" ድማ ኢላ። እቲ መጽናዕቲ ከምዝብሎ \"እተን ምራኹት ድማ፡ ምስ ናይ ቆልዑ ዝዳረግን ካብ ናይ ንኣሽቱ ቆልዑ ዝበልጽ ብቕዓትን ኣርእየን\"። እቶም ተመራመርቲ ከምዝብልዎ፡ 80 ሚእታዊት ሽንቲ ኣሓ ብኸምኡ ኣገባብ ክእከብን ክምስራሕን እንተኺሉ፡ ምልቃቕ ኣሞኒያ ጋዝ ናብ ኣየር ብ56 ሚእታዊት ክንኪ ይኽእል'ዩ። ምጉዳል ሽንቲ ኣብቲ ዝነብራሉ ቦታ'ውን፡ ጽሬተንን ድሕነተንን ኣብ ምሕላዉ ዓቢ ኣበርክቶ ኣለዎ ድማ ይብሉ።","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58565758"} {"headline":"ኣብ ሲድኒ ኣውስትራልያ ኣብ ከብሒ ዓቢ ድኳን ተመን ዘጓነፋ ዓዳጊት","content":"ኣብ ሲድኒ ኣውስትራልያ ሓንቲ ሰበይቲ ኣስቤዛ ንምዕዳግ ናብ ዓቢ ድኳን (ሱፐርማርኬት) ኣብ ዝኣተወትሉ ካብ ከብሒ ናይ ቀመማት ፋይተን ዝበሃል ዓይነት ተመን ኣጎኒፍዋ። ጓል 25 ዓመት ሄላይና ኣላቲ ሰኑይ ንጉሆ እያ ምስቲ 3 ሜተር ንውሓት ዝነበሮ መርዛም ዘይኾነ ተመን ተፋጢጣ። እቲ ዉልዎርዝስ ዝበሃል ዓቢ ድኳን ኣብ ጥቓ ኣብ ወሰን ሲድኒ ዝርከብ ጫካ ዝተደኮነ እኳ እንተኾነ፡ ኣላቲ ተመን ኣብ ከብሒ ክገጥማ ኣይተጸበየትን። እቲ ጽቡቕ ነገሩ ግና ኣላቲ ሰራሕተኛ ምድሓን ህይወት እንስሳታት መሮር ብምንባራ ምስ ኣትማን ጽቡቕ ሌላ እዩ ጸኒሕዋ። \"ካብ ገጸይ 20 ሰንቲሜተር ጥራሕ ርሒቑ ፊት ንፊተይ እዩ ነይሩ፤ ሽዑ ብቕጽበት ርእሰይ ጥውይ ኣቢለ\" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ። ኣብ ጥቓኣ ካልእ ሰብ ኣይነበረን፤ ግና ሃዲኣ። መልሓሱ የውጽእን ብቕልጡፍ የንቀሳቕስን ብምንባሩ ዳያመንድ ፋይተን ምዃኑን መርዛም ከምዘይኮነን ተረዲኣ። \"ብዘይ ምቁራጽ ብቐጥታ ናባይ ይጥምት ነይሩ፤ 'በጃኺ ናብ ደገ ኣውጽእኒ!' ዝብለኒ ዘሎ ኮይኑ እዩ ተሰሚዑኒ\" ኢላ። ኣላቲ ነቲ ተመን ድሕሪ ምስኣል ንሰራሕተኛታት እቲ ትካል ብምሕባር ክትሕግዞም ከም እትኽእል ነጊራቶም። ካብ ገዝኣ መትሓዚ ተመን ሳንጣ ብምምጻእ ነቲ ተመን ካብቲ ድኳን ኣውጺኣ ኣብቲ ጫካ ነጻ ሓዲጋቶ። ኣብ ኣተሓሕዛ ተመን ግቡእ ስልጠና ዝወሰደት ኣላቲ፡ ከባቢ 20 ናይ ተመን ኣድሕን ኩነታት ከም ዝተሳተፈት ትዛረብ።","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58255957"} {"headline":"ኣብ ጓጓ ፓርክ ቃፍታ ሸራሮ ዘለዉ ጸጋታት እንታይ'ዮም?","content":"ሕዛእቲ ቃፍታ ሸራሮ ኣብ ምዕራብን ሰሜን ምዕራን ትግራይ ዝርከብ ኮይኑ ሓራምዝ፣ ዓጋዝየን፣ ጠሌበዱን ልዕሊ ክልተ ሚኢቲ ዓሌታት ኣዕዋፍን ዝሓዘ እዩ። እቲ ፓርክ ኣገስቲ መሰረተ ልምዓት ስለዘይተማልአሉ ግን ክንድቲ ዝድለ ኣገልግሎት ክህብ ከምዘይከኣለ ሰራሕተኛታት እቲ ሕዛእቲ ንቢቢሲ ገሊጾም።","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54715923"} {"headline":"ትግራይ: ኣብ ሃገራዊ ሕዛእቲ ቃፍታ ሑመራ ዳግማይ ባርዕ ኣጓኒፉ","content":"ኣብ ምዕራብ ትግራይ: ሃገራዊ ሕዛእቲ ኣብ ዝርከበሉ ኣብ ዓዲ ጎሹ ባርዕ ከምዝተልዓለ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ሓቢሮም። ነቲ ባርዕ ንምጥፋእ: ኣብ ሰቲት ሑመራ:፣ዓዲጎሹ፣ ራውያን፣ ኣደባይ፣ ፍረሰላም ዝርከቡ መናእሰይ ናብቲ ከባቢ ወፊሮም ኣለዉ። ማሕበር መናእሰይ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ንመናእሰይ ጻውዒት ገይሩ ኣሎ። ነቶም መናእሰይ ናብቲ ዓዲጎሹ ንምጉዕዓዝ መካይን ከምዝተዳለዋን ሎሚ ወጋሕታ 11 ሰዓት ከምዝወፍሩን ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር መናእሰይ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ተኪኡ ብስራት ንቢቢሲ ሓቢሩ። ጠንቂ እቲ ባርዕ ዛጊድ ብዕሊ ዘይተፈልጠ እንትኸውን ዛጊድ ዘብጸሖ ጉድኣት'ውን ኣይተገልጸን። ኮይኑ ግና ብልሙድ ኣብ ወፈር ዘመት (ዘይሕጋዊ ሰፈራታት ምጥቃም ሕዛእቲ) ዝንቀሳቐሱ ጓሶትን ልማዳውያን ኣረይቲ ወርቂን ከምዘብግስዎ ይዝረብ። ኣብቲ ሃገራዊ ሕዛእቲ: ዓሚ ተመሳሳሊ ባርዕ ተላዒሉ ምንባሩ ይዝከር። ኣብቲ ሕዛእቲ ውሕድ ብዝሒ ዘለዎም ሓራምዝ ይርከቡ።","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54641467"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ኣብ ዞባ ምብራቕ ባሌ ዝተመረዘ ማይ ዝሰተያ ልዕሊ 100 ኣጣል ሞይተን","content":"ኣብ ዞባ ምብራቕ ባሌ ዝተመረዘ ማይ ዝሰተያ ልዕሊ 100 ኣጣል ክሞታ እንከለዋ፡ ሸሞንተ ሰባት ሓሚሞም ሕክምናዊ ረድኤት ከምዝተዋህቦም ነበርቲ እቲ ኣከባቢ ንቢቢሲ ሓቢሮም። ኣብ ወረዳ ራይቱ፡ ቀበሌ ሃረዱቤ: ዝተመረዘ ማይ ካብ ዝሰተያ ልዕሊ 500 ኣጣል 102 ከም ዝሞታ እቶም ነበርቲ ተዛሪቦም። ነባሪ እቲ ቀበሌ ዝኾነ ኣቶ ዑመር ኣብዱላሂ፡ እቲ ከባቢ ምድረበዳዊ ብምዃኑ፡ ንሰብ ኮነ ንእንስሳ ዝስተይ ማይ ካብ ዒላ ዝግለል ምዃኑ ሓቢሩ። ማይ ካብ ዓሚቕ ብገመድ እናገለልካ ምጥቃም ካብ \"ጥንቲ\" ክጥቀሙሉ ዝጸንሐ ኣገባብ ምዃኑ ዝገለጸ ኣቶ ዑመር፡ \"ኣብዚ ቀረባ ግዜ ግና፡ ቅድሚ ሕጂ ርኢናዮ ዘይንፈልጥ እዩ ኣጋጢሙና፤ 97 ኣጣል ነቲ ማይ ምስ ሰተያ ሽዑ ንሽዑ ሞይተን\" ክብል ንቢቢሲ ኣረዲኡ። እተን ሓሙሽተ ድማ ናብ ማእከል ሕክምና እንስሳታት ምስ በጽሓ ከም ዝሞታ ሓቢሩ። ብዘይካ እተን ኣጣል ካብቲ ማይ ዝሰተዩ፡ ሸሞንተ ሰባት'ውን ሓሚሞም ምንባሮም ገሊጹ። እቶም ሸሞንተ ሰባት ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ማእከል ጥዕና፡ ሕክምናዊ ረድኤት ተገይሩሎም ኣብ ደሓን ኩነታት ከም ዘለው ዝገለጸ ኣቶ ዑመር፡ ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ዓይነት ጸገም ኣጋጢምዎም ከም ዘይፈልጥ ይገልጽ። እቲ ጠንቂ ክኸውን ዝኽእል ክልተ ነገራት ምዃኖም ዝዛረብ ኣቶ ዑመር \"ሓደ፡ ከም ተመን ዝኣመሰለ መርዛም እንስሳ ናብቲ ማይ ኣትዩ ክኸውን ይኽእል፤ ካልእ ድማ ኣብ ዶብ ስለ እንነብር፡ በዚ ማይ ድማ ብተደጋጋሚ ጎንጽታት የጋጥሙ እዮም። ምናልባት ሰባት መሪዞምዎ ክኸውን ይኽእል\" ዝብል ጥርጣረ ከም ዘሎ ተዛሪቡ። ብዛዕባ እቲ ኩነታት ዝተሓተተ ምክትል ኣመሓዳሪ ራይቱ ወረዳ ኣቶ ሽብሩ ኣደሬ፡ እቲ ዒላ ብኸመይ ከም ዝተመረዘ ንምጽራይ ቅምሶ ናብ ላቦራቶሪ እንስሳታት ከተማ ኣሰላ፡ ከም ዝተላእኸ ገሊጹ። ኣብ ዞባ","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54002034"} {"headline":"ታይላንድ፡ ብሞተርሳይክል ዝተወቕዐት ሓርማዝ ድሒና","content":"ኣብ ታይላንድ ኣብ ጽርግያ ብዘዋሪ ሞተርሳይክል ተሃሪማ ዝወደቐት ንእሽቶ ሓርማዝ ረድኤት ተገይሩላ ካብ ሞት ኣምሊጣ። እታ ውላድ ሓርማዝ ድሓረ ምስ ኣዲኣ ተጸንቢራ'ያ።","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55451471"} {"headline":"ብ1.9 ሚልዮን ዶላር ዝተሸጠት ተቐዳዳሚት ርግቢት ክብረወሰን ሰይራ","content":"ኣብ በልጅዩም ሓንቲ ተቐዳዳሚት ርግቢት ብ 1.6 ሚልዮን ዩሮ (1.9 ሚልዮን ዶላር) ድሕሪ ምሻጣ ክብረወሰን ከም ዝሰበረት ተገሊጹ። እታ ኒው-ኪም ዝተሰምየት፡ ክልተ ዓመት ዝዕድመኣ ርግቢት ፈለማ ብ200 ዩሮ እኳ ንጨረታ እንተቐረበት ኣብ መወዳእትኡ ሓደ ቻይናዊ ነጋዳይ በቲ ክብረወሰን ዝሰበረ ዋጋ ከም ዝተዓወተላ ሮይተርስ ጸብጺቡ። ወናኒ እታ ርግቢት ኩርት ቫን ዴ ዎወር በቲ ዜና ከም ዝሰንበደ ተዛሪቡ። ኣብ ዕዳጋ ርግቢ ክብረ ወሰን ሒዙ ዝጸንሐ ኣርማንዶ ዝተባህለ ርግቢ፡ ኣርባዕተ ዓመት ዝዕድመኡ ተባዕታይ ኮይኑ፡ ብ1.25 ሚልዮን ዩሮ እዩ ተሸይጡ። ኣርማንዶ ኣብ 2019 ናብ ዕዳጋ ኣብ ዝወረደሉ፡ ካብ ውድድር ተኣልዩ፡ ብዙሓት ወሊዱ ነይሩ። ኒው ኪም ኣብ 2018፡ ሃገራዊ ማእከላይ ርሕቐት ዝርከቦም፡ ኣብ ብርክት ዝበሉ ቅድድማት ተዓዊታ እያ። ብድሕሪኡ ግና ጡረታ ወጽያ። ከም ኣርማንዶ፡ ኒው ኪም'ውን ኣብ መንጎ ክልተ ቻይናውያን ድሕሪ ዝተኻየደ ሓያል ውድድር ጨረታ እያ ተዓዲጋ። ኣብ ቻይና ውድድር ቅድድም ርግቢ ኣዝዩ ህቡብ እናኾነ እዩ ዝመጽእ ዘሎ። ተቐዳደምቲ ርግቢ ክሳብ ከባቢ 10 ዓመት ክወልዱ ይኽእሉ እዮም፤ ወናኒ ኒው ኪም'ውን ንምርባሕ ደልዩዋ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት። እንተኾነ ግና እዚ ነቲ ዕዳጋ ዝያዳ ዘይንቡር ከም ዝገበሮ እቶም ኣጫረትቲ ተዛሪቦም። መስራትን ኣካያድን ስራሕ ቤት ጨረታ ፒፓ፡ ኒኮላስ ጊሰልበረች ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ \"ኣንስተይቲ ብምዃና እዚ ዋጋታት ክብረ ወሰን ዘይእመን እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ተባዕታይ ይኸብር፤ ምኽንያቱ ብዙሓት ከፍርይ ስለዝኽእል\" ኢሉ። ኣብ በልጅዩም ብኣፍረይቲ ርግቢ ፍልጥቲ ኮይና፡ ከባቢ 20 ሽሕ ኣፍረይቲ ርግቢ ከምዘለው ጊሰልበረች ይዛረብ። ብ1.9 ሚልዮን ዩሮ ዝተሸጠት ርግቢት ክብረወሰን ሰይራ","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54956563"} {"headline":"ኣብ ኢጣልያ ዝተቐትለት ኣብነታዊት ኢትዮጵያዊት ስደተኛ ኣጊቱ ጉዴታ መን እያ ነይራ?","content":"ዕለተ ሰሉስ ኣብ ሰሜናዊት ክፋል ኢጣልያ ዞባ ትሬንቲኖ፡ ቅትለት ፍልጥቲ ኢትዮጵያዊት ተሓላቒት መሰላት ስደተኛታት ኣጊቱ ጉዴታ፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኮነ ኣብ ልዕሊ ኢጣልያውያን እታ ግዛአት ስንባደ ፈጢሩ ኣሎ። ኣብታ ሃገር ብምርባሕ ኣጣልን ካብ ጸባ ጠሊ ኣጅቦ ብምድላውን እትፍለጥን ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት ስደተኛታትን ዝኾነት እዛ ንባዕላ ስደተኛ፡ ሞታ ምስተስመዐ፡ መዘራረቢ ሚድያታት ዓለም'ውን ኮይና ኣላ። ኣብታ ሃገር ኣምባሳደር ኢትዮጵያ፡ ዘነቡ ታደሰ፡ ነቲ ጉዳይ ብቕርበት ንምክትታል ናብቲ ስፍራ ከምዘምረሐት ቢቢሲ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ። እቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ፍልጥቲ ኢትዮጵያዊት ስደተኛ ብዝበጽሐ ጉድኣት ሓዘኑ ኣብ ፌስቡክ ገጹ ምግላጹ ዝዝከር እዩ። እቲ ገበን ግቡእ ምጽራይ ክግበረሉን፡ እቲ ቅትለት ዝፈጸመ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቡ ፍርዲ ክረክብን ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ኮይኑ ከምዝሰርሕ'ውን ቃል ኣትዩ ኣሎ። ሞት ኣጊቱ፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኣብ ደገ ዝነብሩ ትውልደ ኢትዮጵያውያን፡ ዓብዪ ሓዘን ኣስዒቡ ኣሎ። ብርክት ዝበሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሓዘኖም እናገለጹ ይርከቡ። ፖሊስ እንታይ ኢሉ? ፖሊስ እታ ሃገር ከምዝበሎ፡ ኣጊቱ ጉዴታ፡ ኣብ ከተማ ትሬንቲኖ፡ ፍሉይ ስሙ ፍራሲሎንጎ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዘኣ ኣብ ርእሳ ጉድኣት በጺሑዋ እያ ሞይታ ተረኺባ። እቲ ጉዳይ ኣብ ምጽራይ ከምዝርከብ ዝገለጸ ፖሊስ፡ እቲ ቅትለት ብማርቴሎ ዝተፈጸመ ገበን ከይኮነ ኣይተርፍን ኢሉ ነይሩ። ኮርየር ዝተብሃለ ጋዜጣ ጣልያን ከምዝበሎ ግን፡ ኣጊቱ ዝቐተላ ጋናዊ ሰራሕተኛኣ ሱሌማን ኣዳምስ ዝበሃል ወዲ 32 ዓመት መንእሰይ እዩ። ምኽንያት እቲ ቅትለት፡ ምስ ክፍሊት ብዝተኣሳሰር ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝግመት ዘሎ። ኣዛዚ ፖሊስ ግዝኣት ትሬንቲኖ ኮሎኔል ሚካኤሌ ካፑርሶ፡ \"ኣብ መንጎ ኣጊቱን ሱሌማንን ጽልኢ ምንባሩ ኣይንፈልጥን። ቅድሚ ሕዚ ምስኣ ተቖጺሩ ዝሰርሕ ምንባሩ ግን ንፈልጥ ኢና\" ኢሉ። ' ንሱ ወሲኹ፡ ኣጊቱ ቅድሚ 2 ወርሒ ሱሌማን ምሳኣ ሓቢሩ ንክሰርሕ ከምዝጸወዓቶ፡ ካብኡ ድማ፡ 'ናይ ሓደ ወርሒ መሃያ (ደሞዝ) ኣይተኸፈለንን' ብዝብል ዝኾነ ዘይምርድዳእ ከምዝነበሮም ሓቢሩ። እቲ ጥርጡር፡ ብውሕዱ ሰለስተ ግዜ ብማርቴሎ ኣብ ርእሳ ከምዝወቕዓን፡ ኣብ ልዕሊኣ ጸታዊ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመን ምእማኑ፡ ኮሎኔል ሚካኤሌ ወሲኹ ተዛሪቡ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዳ ዝዓበየት ኣጊቱ፡ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት እያ ብስደት ናብ ሃገረ ኢጣልያ ኣምሪሓ። መጀመርታ፡ ካልኣይ ብርኪ ትምህርታ ምስ ዛዘመት፡ ናጻ ናይ ትምህርቲ ዕድል ስለዝረኸበት፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ትሬንቲኖ፡ ብማሕበረሰባዊ ሳይንስ ቀዳማይ ዲግሪ ተመሪቓ። ካብኡ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሳ፡ ንሓጺር እዋን ምስ ጸንሐት ኣብ 2010 ናብ ኢጣልያ ተመሊሳ፡ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲታ። ዓበይቲ ኩባንያታት ዓለም፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘካይድዎ ዝነበረ ውራ መሬት ተቓዊማ ብምጽሓፋ ድማ፡ ናይ ቅትለት ምፍርራሓት ይበጽሓ ስለዝነበረ፡ በዚ ምኽንያት ንኢትዮጵያ ገዲፋ ክትስደድ ከምዝተገደደት ይዝረብ። ኣብቲ ግዝኣት ሕቶ ፖሊቲካዊ ዑቕባኣ ተቐባልነት ምስረኸበ፡ ናብራኣ እትመርሐሉ መገዲ ተተኣላልሽ ነይራ። ነዚ'ውን ኣብታ ዓዲ ዝርከባ ኣጣል ምርባሕን፡ ጸባን ኣጅቦን [ቺዝ] ምፍራይን ንዓመታት ናተይ ኢላ ሒዛቶ። ኣብቲ እትነብረሉ ከባቢ ብኢጣልያውያን ኮነ፡ ብካልኦት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት፡ ተፈታዊትን ፍልጥትን ኮይና ነይራ። እቲ ሓሳብ 'ኣጣል ምርባሕ'፡ ኣብኡ ኣብ'ቲ ሃገር ምስኣተወት እዩ መጺኡላ። እንተኾነ፡ ምስ ገለ ሚድያታት ኣብ ዝገበረቶ ቃላ መሕትት ከምዝበለቶ፡ እንስሳ ምርባሕ ኣብ ስድራአ ልሙድን ንዘመናት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እደናተሰጋገረ ዝመጽአ ልምድን ከምዝኾነ እያ ትዛረብ። ኣብ ኣጣል ኣቶኲርካ ምስራሕ ከምዘሐጉሳ'ውን ትዛረብ ነይራ እያ። ቅድም ክብል'ውን፡ ኣብ 'ኣርባሕቲ እንስሳታት፡ ናብ ዘላቒ ሕርሻ ምስግጋር' ኣብ ዝብል ፕሮጀክት ስለዝሰርሐት፡ እቲ ልምዲ ኣብ ምርባሕ እንስሳ ከምዝሓገዛ እያ ትዛረብ። ኣብቲ ንሳ እትሰርሓሉ ከባቢ፡ ንብርክት ዝበሉ ኣፍሪቃውያን ናይ ስራሕ ዕድል ከምዝፈጠረት ይዝረብ። ፍቱው ኣጅቦ- ኣጊቱ ብኸመይ ጀሚራቶ? ኣብታ ከባቢ፡ ኣብ ረብሓ ዘይወዓለ ናይ እንስሳ መራብሒ ቦታ\/መሬት ምስረኸበት፡ መበቆላውያን ዓይነት ኣጣል ከተራብሕ ወሲና። ፔታታሞኒኪና እናተብሃላ ዝጽዋዓ ዓይነት ዓሌታት ኣጣል፡ ኣብ ምጽናት ዝነበራ ኮይነን፡ ብቑጽሪ ብ15 እያ ጀሚራቶ እቲ ስራሕ። ደሓር ግን፡ ቁጽረን ናብ 180 ክብ ምስበለ፡ ብፍርያት ጸባን ውጽኢቱን ናይተን ኣጣል ተፈላጥነት ኣትሪፋ። እተን ንምርባሕ ዝመረጸተን ኣጣል፡ መበቆለን ናይቲ እትነብረሉ ከባቢ ብምዃነን፡ ከም ዝመረጸትን ተዛሪባ ነይራ። ኣብቲ ናይ ምርባሕ ኣጣል ኮነ፡ ኣብ ምፍራይ ጸባን ኣጅቦን እትቆጽሮም ሸቃሎ፡ ናይ ስራሕ ዕድል ዝሰኣኑ ከም ዝኾኑ እዩ ዝዝረብ። እዚ ካብ ጸባ ኣጣል ዝስራሕ ኣጅቦ፤ ብኸመይ ከምዝስራሕ ተሞክሮ ንምቕሳም ሰባት ናብኣ ይኸዱ ነይሮም። ንሳ ድማ፡ እዚ እትፈትዎ ሞያ፡ ንካልኦት ንክተምህር ድሕር ዘይትብል እያ ነይራ። እቲ ሞያ ኣብሊጻ ንምዕባይ፡ ብፍርያት ኣጅቦ ኣጣል ናብ እትፍለጥ ፈረንሳዊት ዓዲ ከይዳ ድማ ልምዲ ቀሲማ መጺኣ እያ። ኣስታት 15 ዓይነታት ኣጅቦ፡ ንዓማዊላ ተቕርብ ምንባራ ይግለጽ። ብስራሓ ዝተፈላለዩ ሽልማት ከምዝረኽበት'ውን ይዝረብ። ኣብ ኤክስፖ ሚላን፡ ንሳ ካብ እትነብረሉ ግዝኣት ኣጅቦ ወኪሉ ዝመጽአ ናታ ፍርያት እዩ ነይሩ። ቅድሚኣ ኣብቲ ከባቢ፡ ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈረ ሰብ ዳርጋ ኣይነበረን ምባል ይከኣል። ንነበርቲ እቲ ከባቢ ኮነ ንስደተኛታት ንዓመታት ፍርያታ ኣቕሪባትሎም እያ። ከምኡ'ውን፡ ካብ ጸባ ኣጣል ዝስራሕ ተፈጥሮኣዊ መመላኽዒ ተፍሪ ነይራ። ንበጻሕቲ ዓዲ'ውን፡ መጓሰ ኣጣል ክብጽሑ ትገብር ነይራ ይበሃል። ፈተናታት ዓሌታዊነት ኣጊቱ ኣብታ ንዓመታት ዝነበረትላ፡ እንባታት ዝበዝሓን ምስ ጀርመን እትዳወብን ግዝኣት ትሬንቶ፡ ኣብ ዓሌት መሰረት ዝገበሩ መጥቃዕትታት የጋጥምዋ ከም ዝነበሩ ንፖሊስ ኣፍሊጣ ነይራ ተባሂሉ። ገለገሊኦም፡ ካብ ሕብሪ ቆርበታ ተበጊሶም፡ \" 'ክፍእቲ ጸላም' እናበሉ ይጸርፉኒ ነይሮም፤ እቲ ዝነብረሉ ዓደይ ከም ዘይኮነ'ውን ይነግሩኒ ነይሮም\" ብማለት ብግልጺ፡ ዘጓንፍዋ ዝነበሩ ዓሌታዊ መጥቃዕቲታት ተቃልዕ ነይራ። እቲ ምሳኣ ዝሰርሕ ዝነበረ ጥርጡር ስደተኛ መንእሰይ ካብቶም ቅድሚ ሕዚ ዘፈራርሕዋ ዝነበሩ ሰባት ከምዘይኮነ፡ እንተኾነ፡ ምስ ገንዘብ ተዛሚዱ ዘይምርድዳእ ከምዝነበሮም እዩ ዝግመት። ፕረዚደንት እታ ግዝኣት፡ ኡጎ ሮሲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣጊቱ ዘጓንፍ ዝነበረ 'ዓሌታዊነት' ተቓዊሙ ኣብ ጎና ጠጠው ኢሉ ከምዝነበረ'ውን ተጸብጺቡ። \"ኣጊቱ ስደተኛ ኮይና፡ ኣብ ውሽጢ ግዝኣትና እንስሳታት ኣብ ምርባሕ ምንጣፋ፡ ተቐባልነት ንጋሻ ደጋፊነትን ህዝቢ ትሬንቲኖ እዩ ዘመላኽት\" እውን ኢሉ ነይሩ። ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ናብ ኢጣልያ ዝኣተወት ኣጊቱ ጉዴታ፡ ኣብ ዝመጽእ ሓደ ጥሪ: ሓድሽ ዓመት ፈረንጂ 2021፡ 43 ዓመታ ክትመልእ ነይሩዋ።","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55489211"} {"headline":"ናሚቢያ ብኮሮናቫይረስ ዝተታሕዘ ሰብ ዝፈልዩ ኣኽላባት ተሰልጥን ኣላ","content":"ናሚቢያ ኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ብጨና ዝፈልዩ ኣኽላባት ኣሰልጢና ናብ ስራሕ ብምውፋር ኣብ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ሃገር ንምዄን ትሰርሕ ከምዘላ ሰበስልጣን እታ ሃገር ኣፍሊጦም። ዩኒቨርሲቲ ናሚቢያ ክፍሊ ትምህርቲ ሕክምና እንስሳ ንኮሮናቫይረስ ብጨና ዝፈልዩ ኣኽላባት የሰልጥን ከምዘሎ ተገሊጹ። ነቶም ዝሰልጠኑ ኣኽላባት ናብ መዕርፎ ነፈርትን ዶባትን ብምልኣኽ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ፈልዮም ክሕብሩ ከምዝግበር ጋዜጣ ናሚቢያን ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ መምህር ንዝኾነ ኮናርድ ብራያን ብምጥቃስ ጸብጺባ። መምህር ክፍሊ ሕክምና እንስሳ ዝኾነት ኣልማ ራት ብወገና እቶም እንስሳታት ኮሮናቫይረስ ንዝሓዞ ሰብ ብጨና ዝፈልዩሉ ብቕዓት 95 ሚኢታዊት ዕውት ከምዝኾነ ሓቢራ። እቲ መስርሕ ስልጠና ኮሮናቫይረስ ዝፈልዩ ኣኽላባት ቅድሚ ክልተ ወርሒ ከምዝተጀመረ ጋዜጣ ናሚቢያን ኣዘኻኺራ’ላ። እንተኾነ: ስልጠና ምስወድኡ መዓስ ናብ ስራሕ ከምዝዋፈሩ ብዝምልከት ግን ዝተሓበረ ነገር የለን። መንግስቲ ናሚቢያ ኣኽላባት ብምጥቃም ኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ንምፍላይ ዝግበር ስራሕ ብምጅማር ኣብ ኣፍሪቃ ቀዳሞት ከምዝኾኑ ይገልጹ። ቅድሚ ሎሚ’ውን ኣብ ካልኦት ሃገራት ተመሳሳሊ ስልጠና ንኣኽላባት ክወሃብ ከምዝጀመረ ጸብጸባት የመልክቱ።","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54031516"} {"headline":"ንኮሮናቫይረስ ዘለልዩ ኣሸተትቲ-ኣኽላባት","content":"ብፍሉይ ንኮቪድ-19 ከለልዩ ዝሰልጠኑ ኣኽላባት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሄልሲንኪ ፊንላንድ ተዋፊሮም ኣለው። እቲ መርመራ ኣብ ወለንታውያን ገያሾ እዩ ዝካየድ ዘሎ። እቲ ፈተነ ተስፋ ዝህብ ውጽኢት የርእይ ከም ዘሎ፤ ነቲ መስርሕ ትመርሖ ዘላ ተመራማሪት ገሊጻ።","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54310620"} {"headline":"ንደቂ ኣንስትዮ ናይ ስራሕ ዕድል ዝፈጠረ ሕርሻ ጽምብላሊዕ ኬንያ","content":"ኣብ ገማግም ኬንያ ኣብ ዝርከባ ዞባታት ዝካየድ ሕርሻ ጽምብላሊዕ፡ ደቂ ኣንስትዮ ስድርአን ክኣልያ ዘክኣለን ጥራይ ዘይኮነ፤ ሓደ ዓቢይ ንግዲ ሰደድ ኬንያ’ውን እዩ።","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/56122455"} {"headline":"ገበል ኣብ መደቀሲ ክፍልኹም እንተዝጸንሓኩም እንታይ ምተሰምዓኩም?","content":"ሓደ ኣውስትራልያዊ፡ ኣብ ደገ ጸኒሑ ንገዝኡ ምስ ተመልሰ፡ ገለ ክፋል ናሕሲ ግዝኡ ኣብ ክሽንኡ ወዲቑ ይረኽቦ። በቲ ዝረኣዮ ዝሰግአ ዴቪድ ቴት፡ ነገራቱ ባህ ስለዘይበሎ፡ ንገዝኡ ክፍትሾ ይጅምረልኩም። ካብ ዝፈርሖ ግን ኣይደሓነን፡ ሓደ ገበል ኣብ እንዳ ሳሎን ለመም ክብል ይጸንሖ። በዚ ስለዘይቀሰነ ድማ፡ ምፍታሽ ቀጺሉ። ኣብ መደቀሲ ክፍሉ እትው እንተበለ ድማ፡ ካልኣይ ዓቢ ገበል ጸንሖ። ክልቲኦም ገባብል 22 ኪሎ ዝምዘኑ እዮም። እቶም ኣትማን \"ኣዝዮም ገዘፍቲ\" ምዃኖም፡ ኣብ ምሓዝ ናይቶም ለምምታ ዝተዋፈረ ስቲቨን ብራውን ገሊጹ። እዞም ክልተ ተባዕትዮ ገባብል፡ ጾታዊ ፍቕሪ ኣብ ዝፈጠሮ ኣምባጓሮ ዝተባእሱ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ'ዩ ዝግመት። ከምኡ እንተኾይኑ፡ እታ ዝባኣሱላ ዝነበሩ ኣንስተይቲ ገበል ዛጊት ሃለዋታ ኣይተፈልጠን ዘሎ። ቁመቶም ድማ፡ ናይቲ ሓደ 2.8 ሜትሮ ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ድማ 2.5 ሜትሮ ይበጽሕ። ኣቶ ዴቪድ ቴት፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ናሕሲ ገዝኡ ኣትማን ጸሓይ ክጽለዉ ተዓዚቡ ከምዝነበረ'ዩ ዝገልጽ። \"ንገዛ ምስ ተመለስኩ ዓቢ ክፋል ናሕሲ ናይቲ ገዛ ኣብ ልዕሊ ናይ ክሽነ ጣውላ ጸኒሑኒ\" ክብል ንሓደ 'ዘ ኮሬር-መይል' ዝተባህለ ጋዜጣ'ታ ሃገር ተዛሪቡ። ነቲ ዝፈረሰ 'በለፎን' ገዝኡ ምስ ተዓዘበ ድማ'ዩ ነቶም እንስሳታት ክደልዮም ዝጀመረ። ምስ ረኸቦም ድማ፡ ሃዳኒ ኣትማን ጸዊዑ፡ እቲ ዘፍርሕ ፍጻሜ ኸኣ \"ብቕልጡፍ ተፈቲሑ\"። \"ፈጺመ ባዕለይ ክትንክፎም ኣይደለኹም\" ብምባል ቴት ተዛሪቡ። ሃዳን ኣትማን፡ ስቲቨን ብራውን ብወገኑ፡ \"ክልቲኦም፡ ምስ ካልኦት ክወዳደሩ እንከለዉ፡ ኣዝዮም ዓበይቲ እዮም\" ይብል። ንሱ ከምዝብሎ፡ ሰባት ኣትማን ከጋጥምዎም እንከለዉ፡ ኣብ ዘለውዎ ደው ክብሉን፡ ነቲ ተመን ናብ ዝደለዮ ክኸይድ ክገድፍዎን ኣለዎም። ምኽንያቱ ይብል ንሱ፡ ትም እንተ ኢልኩም ከም ሓደጋ ስለዘይርኢኹም እዩ። \"ኣትማን ካብ ዝኾነ ሓደጋ ክሃድሙ ጥራይ'ዮም ዝደልዩ\" ብምባል፡ መንገዲ ክንጸርገሎም'ዩ ዝመክር።","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53988927"} {"headline":"ኣውስትራልያ፡ 470 ዓሳ ነባሪ ኣብ ገማግም ታስማንያ ተገፊዖም ጸኒሖም","content":"ኣብ ኣውስትራልያ ግዝኣት ታስማንያ ኣብ ታሪኽ ዝበዝሑ ዓሳ ነባሪ ኣብ ገማግም ባሕሪ ብማዕበል ናብ ደገ ተደፊኦም ከም ዝጸንሑ ተገሊጹ። ካብ ሰኑይ ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 470 ዓሳ ነባሪ ገሊኦም ናብ መሬት ገሊኦም ድማ ናብቲ ዓᎁቕ ዘይኮነ ማያት ተደፊኦም ወጺኦም ከም ዝጸንሑ ተሓቢሩ። ካብቶም ድሒሮም ዝተረኸቡ 200 ዝኾኑ ዓሳ ነባሪ እቶም ዝበዝሑ ሞይቶም ከም ዝጸንሑ ሰብ መዚ ኣውስትራልያ ሓቢሮም። ሰራሕተኛታት ዕቃበ ባሕርን ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕንን ነቶም ብህይወት ዝጸንሕዎም ዓሳ ነባሪ ንምድሓን ይረባረቡ ከም ዘለዉ ገሊጸም። ካብቶም ኣብ መጀመርታ ብሰሉስ ዝተረኸቡ ቀዳሞት ጉጅለ እቶም 25 ዓሳ ነባሪ ክድሕኑ እንከለዉ፡ ገለ ካብቶም ዝደሓኑ ብማዕበል ተደፊኦም ዳግማይ ናብቲ ገማግም ከም ዝተመለሱ እቶም ሰብ መዚ ገሊጾም። ሓደ ካብ ላዕልዎት ሓለፍሪቲ ግዝኣት ተስማንያ ኒክ ድካ \"ቁጽሪ ናይቶም ዝሞቱ ዘለውን ናብ ገማግም ዝግፍዑ ዘለዉ ዓሳ ነባሪ ይውስኽ ስለ ዘሎ ኣዚና ኢና ተሻቒልና ዘለና” ኢሉ። እንተኾነ ሰራሕተኛታት ዕቓበ ባሕርን ህይወት ኣድሕንን ብዙሓት ዓሳታት ብህይወት ንክቅጽሉ ይረባረቡ ስለ ዘለዉ ተስፋ ከምዝህብ ተዛሪቡ። ብሄሊኮፕተር ዳህሳስ ምስ ተኻየደ፡ ካብቲ እቶም ብሰሉስ ዘተረኸብሉ 10 ኪሎሜትር ርሒቆም እቶም ካልእ ጉጅለ ዓሳ ነባሪ ከም ዝተረኸቡን ሰራሕተኛታት ዕቃበ ባሕርን ህይወት ኣድሕንን ብጀላቡ ናብቲ ቦታ ከም ዝተለኣኹን ኒክ ድካ ሓቢሩ። ኣብቲ ቀዳማይ ጉጅለ 90 ዓሳ ነባሪ ክሞቱ እንከለዉ፡ እዞም ዓሳ ነበሪ ብምንታይ ምኽንያት ብኽንድዚ ብዝሒ ናብ ገማግም ተደፊኦም ከምዝወጽኡ ክፍለጥ ኣይተኻኣለን። ዓሳ ነባሪ ኣነባብርኦም ማሕበራዊ ኮይኑ ብመራሕቲ እናተቐለሱ እዮም ዝኸዱ። መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ዝነኣሱ ዓሳ ነባሪ እዮም ናብ ደንደስ ተገፊኦም ዝወጽኡ። እዞም ፒሎት ዝተባሃሉ ዓይነት ዓሳ ነባሪ ክሳብ 7 ሜትሮ ቆመትን ክሳብ ሰለስተ ቶን ክብደትን ክበጽሑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ኣንታርክቲክ መጽናዕቲ ዘካይዱ ኣውስትራልያውያን ተመራመርቲ ቅድሚ ሕጂ ክንድዚ ብዝሖም ዓሳ ነባሪ ኣብ ናብ ገማግም ተገፊኦም ወጺኦም ዝፈልጡ እንተኾይኖም የጽንዑ ከምዘለዉ ገሊጸም። ኣብ ሳውዘርን ክሮስ ዩኒቨርስቲ ተመራማሪ ዓሳ ነባሪ ዝኾነ ሮፌሰር ፔተር ሃሪሶን “እዚ ቁጽሪ እዚ እቲ ዝበዝሐ እዩ ክኸውን ዝኽእል” ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ። ኣብ ታስማንያ ኣብ 1935 ኣስታት 294 ዓሳ ነባሪ ናብ መሬት ተገፊዖም ወጺኦም ስለዝነበሩ እቲ ዝበዝሐ ተባሂሉ ኣብ መዝገብ ሰፊሩ ጸኒሑ’ዩ፡ ኣብ 2009 እውን ኣስታት 200 ዓሳ ነባሪ ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ኣብ ገማግም ተረኺቦም ነይሮም። ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ገማግም ተገፊዖም ካብ ዝተረኸቡ ዓሳ ነባሪ እቶም 80 ሚእታዊት ኣብ ግዝኣት ታስማንያ እዮም ተረኺቦም።","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54261768"} {"headline":"ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ፍሉጥ ተጣባቒ ዕቃበ እንስሳታት ብኽልተ ጸዓዱ ኣናብስ ተቐቲሉ","content":"ፍሉጥ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ተጣባቒ ዕቃበ እንስሳታት፡ ንክልተ ጸዓዱ ኣናብስ ከዛውሮም እንከሎ በቶም ኣናብስ ተቐቲሉ። መኪና ሒዛ ትኽተሎም ዝነበረት ሰበይቱ ክተድሕኖ ወላ እዃ እንተፈተነት ክሰምረላ ኣይከኣለን። እዚ ብሓሙስ ብኣናብስ ዝተቐተለ ሰብኣይ፡ ኣብ \"ሊምፖፖ\" ዝተባህለ ከባቢ ፍሉጥ መካነ እንስሳታት ከምዝነበሮ ይፍለጥ። ንዙረት እናኸዱ እንከለው እቶም ኣናብስ ክበኣሱ ከምዝጀመሩን ሓደ ካብቶም ኣናብስ ነቲ ሰብኣይ ከጥቕዖ ከምዝጀመረን ይግለጽ። እቲ ሰብኣይ ኣብ ማእከል እቲ ዝነበረ ባእሲ ተለኪሙ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣዝማዱ ይዛረቡ። ኣብዚ እዋን እቶም ኣናብስ ካብቲ መካነ-እንስሳታት ከምዝተወስዱን፡ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ኣብ ሓደ ጫካ ከምዝፍነውን ተገሊጹ። ኣብ 2017፡ እቶም ኣናብስ ካብቲ ሰፈሮም ወጺኦም ኣብቲ ከባቢ ዝሰርሕ ዝነበረ ሰብኣይ ከምዝቐተሉ ተገሊጹ ነይሩ።","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/53943965"} {"headline":"ጫድ፡ 100 ሚልዮን ዶላር ዕዳኣ ብከብቲ እትኽፍል ዘላ ሃገር","content":"ሃገረ ጫድ፡ ካብ ኣንጎላ ዝተለቃሓቶ 100 ሚልዮን ዶላር ብከብቲ ክትመልስ ከምዝጀመረት መግስታዊ ጋዜጣ ኣንጎላ ሓቢሩ። እዚ ዘይንቡር ኣከፋፍላ ዕዳ፡ ነታ ሕጽረት ጥረ ገንዘብ ዘለዋ ጫድ ዘርብሕ ክኸውን እንከሎ፡ ነታ ሕጽረት ከብቲ ዘለዋ ሃገረ ኣንጎላ'ውን ብማዕረ ዘርብሕ'ዩ። ከም ናይ መጀመርታ ክፍሊት ልዕሊ 1,000 ከብቲ ብመርከብ ናብ ርእሰ ከተማ ሉዋንዳ ከም ዝኣተዋ ጆርና ዲ ኣንጎላ ጸብጺቡ። ኣንጎላ፡ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመታት ብድምር 75,000 ከብቲ ክትቅበል ትጽቢት ይግበር። ንሓንቲ ላምር\/ብዕራይ ብሕሳብ 1,333 ዶላር ማለት'ዩ። ኣብ መወዳእታ ናይዚ ወርሒ ድማ 3500 ከብቲ ካብ ቻድ ናብ ኣንጎላ ክስደዳ ምዃነን ተፈሊጡ። ኣብ 2017፡ ቻድ ነቲ ብጥረ ገንዘብ ክትከፍሎ ዘይካለት ልቓሕ፡ ብመልክዕ እንስሳ ክትከፍል ምስ ሓተተት፡ ኣንጎላ ተቐቢላቶ። ምኽንያቱ፡ እታ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ነቲ ዘለዋ ሃብቲ እንስሳ (ኣሓ) ንምስሳን ድሌት ስለዘለዋ'ዩ ክብል እቲ መንግስታዊ ጋዜጣ ጠቒሱ። ኣንጎላ፡ ደርቂ እናተመላለሰ ስለዘጥቕዓ፡ ከም ሳዕቤኑ ዘለዋ እንስሳታት ብጥሜትን ጽምእን ይሞቱን፡ ድኽነት የስዕብን። ዋላ'ኳ ኣንጎላ፡ ብነዳዲ ሃብታም ሃገር እንተኾነት ካብቲ ሓሚሱዋ ዝነበረ፡ ን27 ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ርእሳ ኣብ ምሕዋይ ትርከብ። ጫድ ብወገና፡ ማዕከን ሃብቲ እንስሳ ተባሂሉ እትጥቀስ ሃገር'ያ። ውድብ ጥዕና እንስሳ ዓለም (OIE) \"መወዳድርቲ ዘይብላ ሃገረ ሕርሻ እንስሳ\" ክብል ገሊጽዋ'ዩ። ኣስታት 94 ሚልዮን እኹላት ከብቲ ከምዘለዋ ይግለጽ። ዓለማዊ ባንክ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ብዛዕባ ጫድ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ብሰንኪ ኣብቲ ዞባ ዘይምርግጋእ ፈጢሮም ዘለዉ እስላማውያን ዕጡቓት፡ ቁጠባኣ \"ተኣፋፊን ኣብ ሓደጋ ዘሎን\" ምዃኑ ይጠቅስ።","category":"እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51930955"} {"headline":"ኣብ ምዕቃብ ሓራምዝ እስያ ግደ ክህልዋ’ዩ ዝተባሃለላ ውልዶ ሓርማዝ","content":"ኣብ ኤስያ ዝርከቡ ሓራምዝ ኣብ ጸገም ወዲቖም ከምዝርከቡ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብ ሓደ መካነ እንስሳት ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ዝተወለደት ውላድ ሓርማዝ ንመጀመርያ ግዜ ስጉሚ ክትጅምር እንከላ ዘርኢ ቪድዮ ተመልከቱ።","category":"ውሕስነት እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c1eq35ykd99o"} {"headline":"ብፖሊስ ኣመሪካ ዝህደን ዘሎ ገዚፍ ድቢ","content":"ኣብ ካሊፎርንያ ካብ ዝሓለፈ ክረምቲ ጀሚሩ ናብ ገዛውቲ እናሰበረ ብምእታው ጸገም ክፈጥር ዝኸረመ ‘ሃንክ ዘ ታንክ’ ዝተባህለ ገዚፍ ጸሊም ድቢ ብፖሊስ ይህደን ኣሎ፡፡ 227 ኪ.ግ ዝምዘንን ካብ መብዛሕተኦም ብኽብደት ዝገዝፍን እዚ ሰራቒ ድቢ፡ ኣብቶም ዝሰብሮም ገዛውቲ በቐጻሊ መግቢ ይረክብ ብምንባሩ፡ ከም ካልኦት ድቢታት ነቲ እዋን ኣብ በረድ ተዋሒጡ ከምዘየሕለፎ ተገሊጹ፡፡ ገለ ሰብመዚ ድማ እቲ ድቢ ኣብ ናይ ሰባት ከባቢ ምንባር ስለዝለመደ ምቕታሉ ኣድላዪ ክኸውን ከምዝኽእል ተዛሪቦም፡፡ ተሓለቕቲ እንስሳታት ግና ናብ መዕቆቢ ክውሰድ ከምዝለዎ ይምዕዱ፡፡ ሃንክ፡ ካብቲ ኣብ ዝጠመየሉ እዋን ናብ ዝተዓጸዉን ሰብ ዘለዎምን ገዛውቲ ሰይሩ ናይ ምእታው ተግባሩ እዩ እቲ ቅጽል ሽም ወጺእዎ፡፡ ‘‘ሓይሉን ግዙፍ ኣካላቱን ተጠቒሙ ናብ ገዛውቲ ሰይሩ ክኣቱ ከምዘለዎ ተማሂሩ እዩ ይብል’’ ይብል ወሃቢ ቃል ፒተር ቲራ፡፡ ‘‘ ማዕጾ ገዛ ሰይሩ ይኣቱ፤ ማዕጾ ጋራጅ ሰይሩ ይኣቱ፡፡ ብመስኮት ይኣቱ’’ ኢሉ፡፡ ‘‘ኪንግ ሄንሪ’’ዝብል ተወሳኺ መጸውዒ ዘለዎ ሃንክ ብግዝፊ ኣካላቱን ጸሊም ሕብሩን ኩሉ ከምዝፈልጦ ዲፓርትመንት ፖሊስ ሳውዝ ሌክ ታሆ ሓቢሩ፡፡ ብልሙድ ድቢታት ንምብራር ዝጠቕሙ ከም ናይ ሓደጋ እዋን ደምጺታት ተፈቲኖም ነዚ ሓደገኛ ድቢ ግን ከርሕቕዎ ኣይከኣሉን፡፡ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ተሓላቒ እንስሳታት፡ ገዚፍ ክብደት እቲ ድቢ ካብቲ ዘለዎ ናይ ሰባት መግቢ ናይ ምምጋብ ሸውሃት ዝብገስ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጹ፡፡ እቲ ትካል ሃንክ ካብ ምቕታል ናብ ምዕቆቢ ክውሰድ ከምዘለዎ ዝገለጸ ኮይኑ ነበርቲ እቲ ከባቢ ድማ ጉሓፍን ተረፍ መግብን ክድርብዩ እንከለው ጥንቃቐ ክገብሩ ከምዝግባእ ኣፍሊጡ፡፡ ሰብመዚ እቲ ከባቢ ንሃንክ ዝምልከቱ 150 ጥርዓናት ቀሪቡሎም እዩ፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ ናብ ልዕሊ 40 ገዛውቲ ሰይሩ ዝኣተወ ኮይኑ፡ ኣብ ገሊኡ ከቢድ ዕንወት ኣብጺሑ፡፡ ‘‘ኣብዚ ከተማ ን 40 ዓመታት ተቐሚጠ እየ፡፡ ኣብዚ ቀረባ እየ ገዛይ ምቑላፍ ጀሚረ፤ ከምኡ ገይረ ኣይፈልጥን’’ ዝብል ድማ ብዓርቢ ሃንክ ገዝኡ ዝፈገረሉ ቲም ጆንሰን ዝተባህለ ነባራይ እዩ፡፡ ‘‘ብዙሕ እንተዘይንቕልቦም ከምዚ ኣይመሸገሩናን’’ ኢሉ፡፡","category":"ውሕስነት እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60507440"} {"headline":"ኣብ መካነ እንስሳት ዝርከቡ ጉማረታት ብኮቪድ ተለኺፎም","content":"ኣብ ቤልጂየም ኣብ መካነ እንስሳት ዝርከቡ ክልተ ጉማረታት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ተረጋጊፁ። እቶም ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ጉማረታት ናብ መወሸቢ ማእኸል ከምዝተወሰዱ ድማ ተገሊፁ። ዛጊድ፡ እቲ 14 ዝዕድሚኡ ኢማኒን 41 ዓመታ ሄርሚንን ብኸመይ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ኣይተፈለጠን። እቶም ክልተ ጉማረታት ኩሉ ግዘ ኣፍንጭኦም ይትርክስ (ይንፍጥ) እኳ እንተነበረ፡ እቶም ካልኦት ኣብ መካነ እንስሳት ኣንትወርፕ ዝርከቡ እንስሳት’ውን ምርመራ ኮሮናቫይረስ ተጌርሎም እዩ። ካብ ኮቪድ ናፃ ከም ዝኾኑ ክሳብ ዝረጋገፅ ድማ፡ ኣብቲ ሕዛእቲ ምስቶም ጉማረታት ቅድሚ ዝኾነ ዓይነት ምትንኻፍ ምግባር መምርሕታት ኮሮናቫይረስ ተግባራዊ ክኾኑ መካነ እስሳት ኣንትወርፕ ኣዚዙ ኣሎ። ብብርኪ ዓለም ብዙሓት እንስሳት ዘገዳምን ዘቤትን ብሳርስ-ኮቭ 2 ከምዝተለኸፉ ብዙሓት ፀብፃባት ሓቢሮም’ዮም። ዋላ’ኳ ብልሙድ ኣፍንጫ ጉማረታት ራሕሲ ዘይፍለዮ እንተኾነ፡ ሓኻይም እቲ ሕዛእቲ፡ እቶም ጉማረታት ክንፍጡ ምስተዓዘብዎም ከመርምርዎም ወሲኖም። ኣብዚ እዋን እቶም ጉማረታት ኣብ ሓፁር ዝተዓፀዉ እንትኾኑ፡ ካብ ኮቪድ ናፃ ዝኾኑ ሓለውቶም’ውን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከምኡ’ውን ናይ ድሕንነት መነፀር ክገብሩ ግድን ኮይኑ ኣሎ። ሓኪም መካነ እንስሳት ኣንትወርፕ ፍራንሲስ ቨርካሚን፡ “ኣነ ክሳብ ዝፈልጦ እቲ ቫይረስ ነዞም ዓሌት እንትለክፍ ፈላማይ ክስተት’ዩ። መብዛሕትኡ ግዘ እዚ ቫይረስ ንዓሌት ድሙን ህበይን እዩ ዝለክፍ” ኢሉ። ኣብ መፈለምታ እዚ ሰሙን’ውን ካናዳ፡ ሰለስተ ዓጋዘናት ብኮቪድ-19 ምልካፎም ኣፍሊጣ ኔራ። እዚ ክስተት ኣብታ ሃገር ንፈለማ እዋን ዝተመዝገበ መልከፍቲ እንስሳት ዘገዳም እዩ። ኣብ እንስሳት ዝካየድ ምርመራ ድሩት ብምዃኑ ድማ፡ ኮቪድ-19 ኣብ እንስሳት ዘገዳም ክንደየናይ ከምዝላባዕ ኣይፍለጥን።","category":"ውሕስነት እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59539452"} {"headline":"ተመጣጢሩ እንዳ ጠስሚ ክረክብ ዝፈተነ ከልቢ ገዛ ኣባሪዑ","content":"ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ሚዙሪ ሓደ ከልቢ ሰብ ዋና ገዛ ኣብ ዘይብሉ ናብ እንዳ ጠስሚ ተመጣጢሩ ከርክብ ክብል መወልዒ ጋዝ ስለዝተንከፈ ገዛ ኣባሪዑ። ሰራሕተኛታት ምክልኻል ባርዕ ሓዊ እቲ ግዝኣት፡ ኣብቲ ገዛ ንዝነበሩ ክልተ ኣኻልብ ካብ ሞት ኣድሒኖም።","category":"ውሕስነት እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c14rx8wjlv2o"} {"headline":"ንናይ ሌዲ ጋጋ ሓላዊ ከልቢ ብጥይት ዘቑሰለ ሰብ 21 ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ","content":"ናይ ውርይቲ ሰነጥበባዊት ሌዲ ጋጋ ኣኽላባት ኣብ ዝተሰረቁሉ እዋን፡ ነቲ ሓላዊ ከልቢ ብጥይት ዘቑሰለ ሰብ ን21 ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ። ጀምስ ሃዋርድ ጃክሰን፡ ንዝቐረበሉ ክሲ ፈተነ ቅትለት ከምዘይቃወም ምግላጹ፡ ምስ ብስምምዕ ዝግበር ምእማን ገበን ዝመሳሰል’ዩ። ራያን ፊሸር ኣብ ወርሒ ለካቲት 2021 ኣብ ሆሊዉድ ነቶም ሰለስተ ኣኽላባት ሌዲ ጋጋ እናዘወረ እንከሎ፡ ጃክሰን ኣብ ኣፍልቡ ብጥይት ከምዝሃረሞ እቲ ቤት ፍርዲ ሰሚዑ። ፊሸር ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ሕክምና ረኺቡ ዝሓወየ’ኳ እንተኾነ ገለ ክፋል ሳንቡኡ ግን ከምዝተኣለየ ይገልጽ። ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ ዝተኻየደ መጋባእያ ቤት ፍርዲ ተረኺቡ፡ እቲ ተኹሲ ንህይወቱ ንሓዋሩ ከምዝቐየሮ ምግላጹ ሲቢኤስ ኒውስ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ። ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ፡ ነቲ መጥቃዕቲ \"ዓሻ ጎነጻዊ ተግባር\" ኢሉዎ። ገበናቱ ብምእማኑ፡ ዝቐረብሉ ካልኦት ክሲታት ተሰሪዞምሉ ኣለዉ። ጃክሰንን ሓደ ካብቶም ካልኦት ኣርባዕተ ተሓባበርቱን ነቲ ተኹሲ ስዒቡ ኮጂን ጉስታቭን ዝተበሃሉ ክልተ ካብቶም ኣኽላባት ምጭዋዮም ይግለጽ። እታ ሚስ ኤስያ ዝስማ ከልቢ ግን ድሕሪ ምህዳማ ብፖሊስ ከምዝተረኸበት ይዝከር። ኣብቲ እዋን፡ ፖሊስ፡ እቶም ኣኽላባት ብሰንኪ መንነት ዋናኦም ዘይኮነስ ብሰንኪ ዓሌቶም ዒላማ ዝተገበሩ ከምዝመሰሎ ገሊጹ። ሌዲ ጋጋ ነቶም ዝተሰርቑ ኣኽላባት ንዘምጽአላ ሰብ 500,000 ዶላር ሽልማት ከምትሕብ ድሕሪ ምግላጸ እቶም ክልተ ዝተሰርቁ ኣኽላባት ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ከይተጎድኡ ተመሊሶም እዮም። ሃሮልድ ዋይት ዝተበሃለ ኣብቲ ገበን ዝተሓባበረ ወልቀሰብ፡ ነቲ ገበነኛታት ነበር ብረት ከይሕዙ ዝኽልክል ሕጊ ብምጥሓስ ገበን ከምዝፈጸመ ትማሊ ሰኑይ ተኣሚኑ። ኣብ ዝመጽእ ዓመት ድማ ክፍረድ እዩ። ወዲ ሃሮልድ ዋይት፡ ጄይሊን ኪሻውን ዋይትን ላፋይት ሾን ዌሊን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብካልኣይ ደረጃ ምዝማት ገበኖም ከምዝተኣመኑን ብቕደም ተኸተል ንኣርባዕተ ዓመትን ሽዱሽተ ዓመትን ማእሰርቲ ከምዝተፈርዱን ይፍለጥ። እታ ነቶም ኣኽላባት ዝመለሰት ጀኒፈር ማክብራይድ፡ ድሒራ ተሓጋጋዚት ፈተነ ቅትለት ብምዃን ከምዝተኸሰሰትን ጉዳያ ኣብ ምጽራይ ከምዘሎን ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ እቲ ዞባ ሓቢሩ። መስርሕ ፍርዲ ጃክሰን ዝደንጎየሉ ምኽንያት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ካብ ቤት ማእሰርቲ ብጌጋ ተፈቲሑ ብምንባሩ እዩ። እንተኾነ ግን ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ ዳግማይ ተኣሲሩ።","category":"ውሕስነት እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cn042v14pe3o"} {"headline":"ብዕራይ ኣስቢሑ ብ200 ሽሕ ብር ዝሸጠ ኢትዮጵያዊ ሓረስታይ","content":"ኣቶ ዑስማን ሑሴን ከብቲ ኣስቢሑ ብምሻጥ እዩ ናብራኡ ዝመርሕ። ኣብ ምዕራብ ሃረርጌ፡ ነባሪ ወረዳ ሸነን ዱጎ ቑሸት ርያ ዝዀነ ኣቶ ዑስማን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክልተ ኣብዑር ብ40 ሽሕን 50 ሽሕን ዓዲጉ ከስብሕ ከም ዝጀመረ ይዛረብ። ከፍቲ ኣርቢሕኻን ኣስቢሕኻ ንዕዳጋ ምውራድ ልሙድ ስርሑ እዩ። ኣቶ ዑስማን ሑሴን፡ ነቶም ንኣዋርሕ ዘስብሖም ነፍሲ ወከፍ፡ 200 ሽሕን 150 ሽሕን ብር ከም ዝሸጦም ይዛረብ። ንሱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት፡ ቅድሚ ሕዚ ኣስቢሑ ካብ ዝሸጦም ኣብዑር ክንዲ እዚ ዋጋ ዘውጸአ ብዕራይ ከም ዘይነበሮ ተዛሪቡ። “ካባይ ዝዓደጐ ነጋዳይ'ዩ፤ ብስርሐይ ኣዝዩ ከም ዝተገረመ ነጊሩኒ። ንስኻ ‘ሽልማት የድልየካ እዩ’ ክብል ድማ ናእድኡ ገሊጹለይ” ይብል። ክልቲኦም ንመሕረዲ ዝሰብሑ ኣብዑር ሓደ ሰብ ከም ዝገዝኦም ዝዛረብ ኣቶ ዑስማን፡ እቲ ዓዳጋይ'ውን ከሲቡ ንኻልኦት ከም ዝሸጦም ነጊሩኒ ኢሉ። “ብታሕጓስ እዩ ወሲድዎም። ናብ ኣዲስ ኣበባ ወሲዱ ብዝሓሸ ዋጋ ከም ዝሸጦም ደዊሉ ሓቢሩኒ ”ይብል። ኣቶ ዑስማን ካልኦት ጥሪት ክህልውኦ እንከለዋ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብዑር ገዚኡ ኣስቢሑ ይሸይጥ። እቶም ሕዚ ብኽባር ዝተሸጡ ኣብዑር ኣብ ወርሒ መስከረም ብ40 ሽሕን 50 ሽሕን ቅርሺ ከም ዝገዝኦምን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዘይመልእ፡ መኽሰቡ ብዕፅፊ ከም ዘዕበዮን ገሊፁ። “ነቲ 50 ሽሕ ዝገዛእኽዎ፡200 ሽሕ ብር ሸይጠዮ። ነቲ 40 ሽሕ ዝገዛእኽዎ ድማ፡ 150 ሽሕ ብር ሸይጠዮ። ቅድሚ ሕዚ ክንድዚ ዝኣክል ሸይጠ ኣይፈልጥን\"። እቲ ሓረስታይ ከም ዝብሎ፡ ቅድሚ ሕዚ ብዝለዓለ ዋጋ ዝሸጦ 80 ሽሕ ብር ዝነበረ ኰይኑ፡ ሕዚ ናህሪ ናብራ ምኽባር እዩ ከምኡ ክኸውን ገይሩዎ። ቅድሚ ሕዚ፡ ዝሰብሑ ኣብዑር ካብ 60 ሽሕ ክሳብ 80 ሽሕ ብር ይሽየጡ ከም ዝነበሩ ወሲኹ ተዛሪቡ። እቶም ኣብዑር፡ “መግቢ ይቐያይረሎም'የ። ዕፉን ጥሒነ ብማይ ለዊሰ ይህቦም፤ኣብ ነፍሲ ወከፍ 15 መዓልቲ ድማ ሓኪም እንስሳታት ይከታተሎም እዩ\" ኢሉ። ዑስማን በቲ ሕዚ ዝረኸቦ ገንዘብ፡ ተወሳኺ ብዕራይ ብምዕዳግ ኣስቢሑ ክሸይጥ መደብ ገይሩ ኣሎ። ዋጋ እንስሳታት ብሰንኪ ምክባር ናብራ ከም ዝወሰኸን፡ ካብቲ ዝገዝእዎ ልዑሊ ዕጽፊ ክሸጡ ከም ዝኽእሉን ይዛረብ። “ዋጋ እንስሳታት ኣዝዩ ወሲኹ እዩ። ናይቲ ዝገበርክዎ ጻዕሪ ግን ዓስበይ ረኺበ እየ። ብዙሓት ኣብዑር ዘስብሑ ኣለዉ። እንተዀነ፡ ሓደ’ኳ ሚኢቲ ሽሕ ኣየውጽእን። ናተይ ካብ ናታቶም ዝተፈልየ እዩ”ኢሉ። ዑስማን ሓለፍቲ ዞባን ወረዳን ከም ዝተተባብዑዎ ተዛሪቡ።","category":"ውሕስነት እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cjm07v7l328o"} {"headline":"ኣብ ገዛ ንዘዕበይዎም እንስሳታት ክሎን ዝገብሩ ዘለዉ ሰባት","content":"እታ ዶሊ ተባሂላ ትጽዋዕ ናይ መጀመርታ በጊዕ ካብ ትዳቐል ንደሓር፡ ድቕለት (ክሎኒንግ) ነዊሕ መንገዲ ተጓዒዙ እዩ። ብ5 ሓምለ 1996፡ እታ ንመላእ ኢንዱስትሪታት ዘነቓቕሐት፡ ንተመራመርቲ ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ዓሌታት ንምሕጋዝ ሓድሽ መገዲ ዝሃበት ኣብቲ እዋን’ቲ ዳርጋ ዘይሕሰብ ዝነበረ መንገዲ ሕክምናዊ ሳይንስ ዝቐየረት በጊዕ ተወሊዳ። ግን ተራ በጊዕ ኣይነበረትን። ካብ ጽኪ ጡብ ካልእ በጊዕ ብዝተወስዱ ዋህዮታት ዝተዳቐለት በጊዕ እያ። ብስም ድምጻዊት ዶሊ ፓርተን ድማ ዶሊ ዝብል ስም ተዋህባ። ድቕለት ዶሊ፡ ሓድሽ እንስሳ ምፍጣር ከምዝከኣል ዘርኣየ ውጽኢት ከምዝነበረ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ትካል ፍራንሲስ ክሪክ፡ ቤተ ፈተነ ስነ ህይወትን ምዕባለ ጀነቲክስ ስቴም ሴልን ዝመርሕ ሮቢን ሎቨል-ባጅ ይገልጽ። ድቕለት ዶሊ ስዒቡ ኣብ ውሽጢ መዓልታት ዝተፈላለዩ ትንበያታት ክስምዑ ጀሚሮም። ንሓዘንተኛታት ወለዲ ዝሞቱ ደቆም ክትክኣሎም ከምዝኽእል ዝገለጹ ሰባት ከይተረፈ ነይሮም። ብካልእ ሸነኽ ዓለም ግን ሓደ ጃፓናዊ ተመራማሪ ስነ-ህይወት ዋህዮታት መበቆል፡ ነቲ ኣብ ስኮትላንድ ዝነበረ ፍጻመታት ብዓቢ ተገዳስነት ይዕዘብ ነይሩ። ኣብ 1996 ሺንዪ ያማናካ ዕድለኛ ዘይኮነ ጻንሖት ዝተጻወረ ሓኪም መጥባሕቲ ነይሩ። መሳርሕቱ፡ ኣብ መጥባሕቲ ብዙሕ ግዜ ስለዝወስድ፡ ጃማናካ (ዕንቅፋት) ዝብል ሳጓ ከምዝሃብዎ ድማ ይንገር። ሕጂ ያማናካ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ዩኒቨርሲቲ ከተማ ኦሳካ ኣብ ስራሕ ኣድካሚ ይርከብ። ተመራመርቲ ንሓንቲ በጊዕ ክሎን ክገብሩ ከም ዝኸኣሉ ድሕሪ ምንባቡ፡ ዝበዝሕ ግዜኡ ምስ ኣናጹ ከሕልፍ ጀሚሩ። ሓደ ዋህዮ በዚ ኣገባብ ዳግማይ ፕሮግራም ክግበር ምኽኣሉ ዝመሰጦ ነገር እዩ። ንዝኾነ ዋህዮ፡ መሊስካ ናብ ድቂ ዝመስል ኩነታት ዳግማይ ፕሮግራም ክገብሮ ይኽእል ድዩ ኢሉ ክሓትት ጀሚሩ። ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ዝወሰደ ፈተነ፡ ያማናካ ፈለማ ብኣናጹ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ዋህዮታት ደቂ ሰባት ዕላምኡ ከሳኽዕ ክኢሉ። ዋህዮታት ቆርበት ወይ ደም ናብ ብዙሕ ዓቕሚ ዘለዎም ኩነታት ዳግማይ ፕሮግራም ክግበሩ ኣኽኢሉ። ብድሕሪኡ ያማናካ ኣብ 2012 ብፊዚዮሎጂን ሕክምናን ሽልማት ኖቤል ረኺቡ። ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ካብ ሕሙማት ብዝወስድዎ ቅምሶ ደም፡ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ኣካላቶም ዘሎ ዋህዮታት ተመሳሳሊ ባህርያት ዝሓዘ ደቂቕ ስሪት ኣካላት ብምፍጣር ሓደስቲ መድሃኒት፡ ክታበት ንምፍታን ወይ እውን ንገለ ኻብቲ ኣብ ምዕባለ ወዲ ሰብ ዝርከብ መሰረታዊ መስርሓት ንምርዳእ ስለዘኽእል እቲ ቴክኖሎጂ ልዑል ኣቓልቦ ረኺቡ። \"ካብ ሓደ ሕሙም ዋህዮታት ወሲድካ ምናልባት ነቲ ጀነቲካዊ ጉድለት ከተስተኻኽልን ነቶም ዝተስተኻኸሉ ዋህዮታት ተጠቒምካ ናይቲ ሕሙም ዝተበላሸወ ቲሹ ክትጽግን የኽእለካ\" ይብል ሎቨል-ባጅ። \"ስለዚ እዚ ናይ ብሓቂ ኣገዳሲ ርኽበት ምንባሩ ርዱእ'ዩ።\" ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት ዝተቐልቀለ ሓድሽ ኢንዳስትሪ ኣሎ - ድቕለት ኣብ ገዛ ዝዓብዩ እንስሳታት። ቪያጀን ዝተበሃለ ኩባንያ፡ ኣብ 2015፡ ዝፈትውዎ ድሙ ወይ ከልቢ ክሎን ክገብሩ ንዝደልዩ ወነንቲ ኣገልግሎት ክህብ ጀሚሩ። እቲ ክፍሊት ቀሊል ኣይኮነን - ንሓንቲ ድሙ ክሎን ንምግባር 35 ሽሕ ዶላር ይሓትት፡ ንሓደ ከልቢ ድማ 50 ሽሕ ዶላር የድሊ። እንተኾነ ግና እቲ ጠለብ ልዑል እዩ። ቪያጀን ክሳብ ሕጂ ክሎን ዝገበሮም ቁጽሪ እንስሳታት ብልክዕ እኳ እንተዘይገለጸ፡ ኣካያዲት ኣገልግሎት ዓማዊል እቲ ኩባንያ ሜላን ሮድሪገዝ ግን \"ካብ እንጅምር ኣትሒዙ ዓመት ዓመት ዝበዝሑ እንስሳታት ክሎን ንገብር ኣለና\" ትብል። \"ሰሙን ሰሙን ኮራኩር ይውለዱ ኣለዉ። ብዙሕ ምውዕዋዕ ኣይንገብርን፡ መብዛሕትኡ ካብ ሰብ እዩ ዝሰምዕ።\" ሮድሪገዝ፡ 90 ሚእታዊ ዓማዊል እቲ ኩባንያ፡ ኣብ ቀጻሊ ምናልባት ዓቐሚ እንተረኸቡ ኢሎም ዋህዮታት ዘዕብይዎም እንስሳታት ክዕቀበሎም ጥራይ ከም ዝመርጹ ትገልጽ። ክሎን ንምግባር ዘድሊ ወጻኢ ልዑል ዝኾነሉ ምኽንያት እቲ መስርሕ ንምእማኑ ብዘጸግም ዝተሓላለኸ ምዃኑ እዩ። እቲ ምሉእ መስርሕ፡ ኣብ ኸልቢ ሸሞንተ ወርሒ፡ ኣብ ድሙ ከኣ ሓደ ዓመት ይወስድ። ኣብዚ እዋን፡ እቲ ኢንዳስትሪ ኣብ ካልእ ቦታታት ዓለም’ውን እናስፋሕፍሐ ይርከብ። ኣብ ደቡብ ኮርያ ሱኣም ባዮቴክ ከምኡ’ውን ኣብ ቻይና ሲኖጂን ነዚ ኣገልግሎት ምሃብ ዝጀመሩ ኩባንያታት እዮም። ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ብዛዕባ እዚ፡ ምቾት ኣይስምዖምን። እቶም ዝፍጠሩ እንስሳታት ብጀነቲካዊ መዳይ ተመሳሳልቲ’ኳ እንተኾኑ ሓደ ዓይነት ባህርይ ግን ከምዘይህልዎም ዝገልጽ ሎቨል-ባጅ፡ ድቕለት እንስሳ ምኽንያታዊ ከምዘይኮነ ይምጉት። ተመራማሪ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ሃርቫርድ ጆርጅ ቸርች ብወገኑ፡ “ከም ሓቂ ሰባት፡ ዝፈልጦም፡ ዘለልዮምን ገለ ምስጢራቶም ዝፈልጥን እንስሳኦም እዮም ዝደልዩ . . . በዚ መንጽር፡ ንሓዘን ናይ ሰባት ምምዝማዝ” ከይኸውን ስክፍትኡ ይገልጽ። ኣብተን ድሕሪ ዶሊ ዝነበራ ዓመታት፡ እቲ ማእከላይ ሕቶ፡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ነቲ ቴክኖሎጂ ናብ ደቂ ሰባት ከስፍሕዎ ድዮም ዝብል እዩ ነይሩ። ብዙሓት ሞራላውን ስነ-ምግባራውን ጉዳያት’ውን ተላዒሎም እዮም። ኣብ 2013 ድቂ ወዲ ሰብ ብዓወት ክሎን ተገይሩ እዩ። እንተኾነ ግን ግን፡ ብሰንኪ ከስዕቦ ዝኽእል ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ምሉእ ሰብ ናይ ምፍጣር መስርሕ ተፈቲኑ ኣይፈልጥን። ኣብ ክንድኡስ፡ መብዛሕትኡ ምወላ፡ ዳርጋ ኣብ ምጽናት ዝርከቡ እንስሳታት ዳግም ንምርባሕ እዩ ዝውዕል ዘሎ። ኣብ ቻይና ዝርከብ ግዙፍ ፓንዳን ሰሜናዊ ጻዕዳ ሓሪሽን ኣብ ዓለምና ክልተ ጥራይ እዮም ተሪፎም። እዞም ክልተ እንስሳታት መሊኦም ከይጸነቱ ከለዉ ክሎን ንምግባር ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፡ እቶም ኣብ ሓደጋ ምጽናት ዝርከቡ ጸሊም እግሪ ዘለዎ ፈረት (black-footed ferret) ከምኡ’ውን ፈረስ ፕርዘዋልስኪን (Przewalski's horse) ብቪያጀን ክሎን ተገይሮም እዮም። ነቲ ቅድሚ ኣስታት 4,000 ዓመት ዝነበረ ኣዝዩ ገዚፍ ዓይነት ሓርማዝ ዳግማይ ህይወት ንምሃብ ዝዓለመ ፕሮጀክት ዝመርሕ ዘሎ ጆርጅ ቸርች እዩ። ኩባንያ ኮሎሳል ድሮ ነቲ ሓሳብ ንምድጋፍ 11 ሚልዮን ዶላር ምወላ ኣዋህሊሉ ኣሎ። ክሎኒንግ ግን ኣብ ዝመጽእ ዓሰርተታት ዓመታት ዝያዳ ዘተሓሳስብ ተግባራት ክህልዎ ይኽእል እዩ። ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሜሪላንድ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ዝሰርሑ ሓካይም መጥባሕቲ፡ ንሓደ ቀታሊ ሕማም ልቢ ዘለዎ ሰብኣይ ልቢ ሓሰማ ተኺሎምሉ ነይሮም። እቲ ዘሕዝን ግን እቲ ሰብኣይ ንክልተ ኣዋርሕ ጥራይ እዩ ብህይወት ጸኒሑ። እቲ ጉዳይ ግን ኣቓልቦ ናይቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሓካይም ስሒቡ እዩ፤ ንሳቶም፡ ንሕጽረት ምትካል ኣካላት ክፈትሕ ከም ዝኽእል ይግምቱ። ጀርመን ካብ ሃገራት ኣውሮጳ ትሑት መጠን ልግሲ ኣካላት ዘለዋ ሃገር እያ። ኣብዚእዋን’ዚ ኣብታ ሃገር ኣስታት 8,500 ሰባት ስራሕ ዘቋረጸ ክፍሊ ኣካላት ከምዘለዎምን፡ ካልእ ኣማራጺ ሕክምና ከምዘይብሎምን ይግለጽ። \"ካብቶም ኣብ ንጡፍ መጸበዪ ዝርዝር ልቢ ዝርከቡ ሕሙማት ኣስታት ፍርቂ ጥራይ እዮም ምትካል ኣካላት ክረኽቡ ዝኽእሉ። ልቢ ሓሰማታት ዓቐኑን ስራሑን ብተዛማዲ ንደቂ ሰባት ብቑዕ ስለዝኾነ ከም ለገስቲ ብርክት ዝበሉ ብልጫታት ኣለዎ\" ይብል ኣብ ሙኒክ ሓላፊ ማእከል ፈጠራዊ ሕክምናዊ ሞዴላት ዝኾነ ኤክሃርድ ዎልፍ። ከም ኣህባይ ዝኣመሰሉ መጥበውቲ እንስሳታት ካብ ምጥቃም፡ ሓሰማ ምጥቃም ብስነ-ምግባር ዝያዳ ተቐባልነት ከምዘለዎ ኤክሃርድ ዎልፍ ይገልጽ። ይኹን እምበር፡ ኣካላት እንስሳታት ከም መተካእታ ምጥቃም ኣብ ዝብል ዛዕባ፡ ኩሉ ሰብ ኣወንታዊ ኣረኣእያ የብሉን። ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ተጣበቕቲ መሰላት እንስሳታት ብመሰረቱ ንሓሰማታት ናብ ደረጃ ፋብሪካ ኣካላት የውርዶም ኣሎ ኢሎም ይምጉቱ። ማሕበር ድሕነት እንስሳታት ጀርመን ድማ ነቲ ፕሮጀክት ብስነ-ምግባር ኣብ ሕቶ ዘእቱ እዩ ክብል ይገልጾ። ክሎኒንግ፡ ድሕሪ 25 ዓመታት'ውን፡ ሎሚ፡ ከምቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረ ኣገዳስን ኣካታዕን ኣርእስቲ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።","category":"ውሕስነት እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cxre2xzedq4o"} {"headline":"ኣብ ናይሮቢ ሓርማዝ ኣብ ጥቓ መንበሪ ኣባይቲ ድሕሪ ምርኣዩ ይድለ ኣሎ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፡ ሓደ ሓርማዝ ካብ ጫካታት ብምውጻእ ኣብ ከባቢ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ሓደ መንበሪ ዕንወት ድሕሪ ምብጽሑ፡ ኣገልግሎት እንስሳ ዘገዳም ኬንያ ነቲ ሓርማዝ የናድዮ ከምዘሎ ተገሊጹ። እቲ ትካል ሰንበት ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓደ ሓርማዝ ከራራፖኒ ኣብ ዝበሃል ካብ ማእከል ከተማ ናይሮቢ ከባቢ 30 ኪሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ከምዝተርኣየ ሓበሬታ ከምዝበጽሖ ኣፍሊጡ። እቲ ሓበሬታ ምስ በጽሖ ኣባላቱ ኣብቲ ስፍራ “ደቂቕ ተፍትሽ” ከምዘካየዱ እንተኾነ ግና ነቲ ሓርማዝ ክረኽብዎ ኣይከኣሉን። እቲ ሓርማዝ ንኣፍደገ ቀጽሪ መንበሪ ገዛ ብምዕናው ናብ ውሽጢ ኣትዩ ምንባሩ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ። እቲ ሓርማዝ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝርከብ ጫካ ኣምሊጡ ክኸውን ከምዝኽእል ዝሓበረ እቲ ትካል ነቲ ከባቢ ብቕርበት ይከታተሎ ከምዘሎ ሓቢሩ። ኣብ 2016 ሽዱሽተ ኣናብስ ካብቲ ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ሃገራዊ ሕዛእቲ ወጺኦም ህዝቢ ናብ ዝነብረሉ ቦታታት ምስ ተራኣዩ ኣብ ነበርቲ ራዕዲ ፈጢሩ ምንባሩ ይዝከር። ከም ሓርሽ፡ ኣናብስ፡ ቺታ፡ ኣዛብእ፡ ዘራፍ፡ሓርምዝ ዝርከብዎም ልዕሊ 400 ዝተፈላለዩ ዓይነት እንስሳታት ዘገዳም ከም ዝርከቡሉ ዝግለጽ ሃገራዊ ሕዛእቲ ናይሮቢ፡ ኣብ ዓለም እቲ እንኮ ኣብ ውሽጢ ርእሰ ከተማ ዝርከብ ሃገራዊ ሕዛእቲ ኮይኑ ብዙሓት በጻሕቲ የተኣናግድ።","category":"ውሕስነት እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2d277x2g4o"} {"headline":"ዝጠፍኡ ዓሌት እንስሳታት ናብ ህይወት ንምምላስ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ","content":"ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ዝጠፍኡ ዓሌት እንስሳታት ንምምላስ ይጽዕሩ ኣለዉ። ሓደ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ኣብ 2021 ዝተመስረተ ተበግሶ-ዝጀመረ ኩባንያ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ክሳብ 10 ዓመታት ናይ ሓደ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ክልተ ዓይነት ዝጠፍኡ ዓሌታት እንስሳታት፡ ህይወት ክመልሱ ከምዝኽእሉ ርግጸኛ ዀይኑ ኣሎ። ርግጽ፡ ክውን ክትገብሮ ኣብ ፊልሚ ‘ጁራሲክ ፓርክ’ ቀሊል ክመስል ይኽእል እዩ። ኣብ ሓቀኛ ህይወት ግን ቀሊል ዕማም ኣይኮነን። ኩሉ ሰብ ክግበር ከም ዝኽእል ወይ ውን ክኸውን ከም ዘለዎ እውን ኣይኣምንን እዩ። ኣብዚ ዓውዲ፡ እንታይ ከም ዝተወጠነ ንርኢ እሞ፡ ብሓቂ ንሓደ እንስሳ ካብ ሞት ምምላስ ዝከኣል እንተኾይኑ ክንድህሳስ ኢና። ብኣመሪካዊ ክኢላ ‘ጀነቲክስ’ [ምርምር መቦቀል ዘርኢ] ጆርጅ ቸርችን ዋና ኣካያዲ ስራሕ ቤን ላምን፡ ዝምራሕ ኮሎሳል ባዮሳይንስ፡ ነቲ ‘ዉሊ ማሞት’ ኣብ 2027 ክመልሶ ከምዝኽእል ተስፋ ኣለዎ። ከምኡ’ውን ብሓገዝ ዩኒቨርሲቲ መልበርን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ነቲ ካብ 1930ታት ጀሚሩ ዝጠፍአ ማርሱፒያል ዝበሃል ነብሪ ‘ታዝማኒያ ታይገር’ ወይ ‘ታይላሲን’ ዳግማይ ንምፍጣር ፕሮጀክት ከምዘለዎም ኣፍሊጦም ኣለዉ። ግን ብኸመይ እዮም ክገብርዎ ዝኽእሉ? ሓደ መንገዲ፡ ናይ ምምላስ ምህንድስና [ሪቨርስ ኢንጂነሪንግ] እዩ: ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ካብ ሓደ ተመሳሳሊ ዲኤንኤ ዘለዎ ህያው ዓይነት ዋህዮታት መበቆል ይወስዱ: ድሕሪኡ ድማ ቴክኖሎጂ ኣርትዖት ጂን ተጠቒሞም ነቲ ዝጠፍአ ዓሌት ይመልስዎ። ነቲ ንሱፍ ዝመስል ‘ማሞት’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ፍጥረት፡ እቲ ዝቐረበ ዘሎ ብህይወት ዘሎ እንስሳ፡ ኤስያዊሓርማዝ እዩ። እቲ ጉጅለ ካብቲ፡ ካብ ናይ ታይላሲን፡ ዝተወሰደ  ኣብ መልበርን ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤተ መዘክር ኣብ ኣልኮላዊ መስተ ዝተቐመጠ ዲኤንኤ መሰረት ገይሮም እዮም ዝፍትንዎ ዘለዉ። ንሳይንቲስት እቲ ዝዓበየ ብደሆ ዝዀነ፡ ብዝተኻእለ መጠን ናብቲ መበቆላዊ ዓሌት ዝቐረበ፡ ብትኽክል ዳግማይ ክፈጥርዎ ዝኽእሉ፡ ዲኤንኤ ምርካብ እዩ። እቲ ጸገም፡ እንስሳታት ምስ ሞቱ፡ ዲኤንኤኦም ናብ ደቀቕቲ ስብርባራት ስለ ዝበታተን ወይ ድማ ስለ ዝፍንጫሕ እዩ። ነዞም ስብርባራት፡  ብልክዕ ኣሰራረዐኦም ደርዲርካ ምቕማጥ፡ እቲ ዝኸበደ ብድሆ እዩ። እንታይ ረብሓታት ኣለዎ? ሓበራዊ መስራቲ ፕሮጀክት ‘ኮሎሳል’ ዝዀነ፡  ቤን ላም፡ ንዝጠፍኡ እንስሳታት ምምላስ፡ ብዙሕነት ህይወት ንምዕቃብ፡ ዝተመናመነ ስነ-ህይወት ንምምላስን ደቂ ሰባት ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዘውረድዎ ጉድኣት ንምጽጋንን ክሕግዝ ከምዝኽእል ይኣምን። \"ክልቲኦም ‘ዉሊ ማሞት’ን ‘ታይላሲን’ን ኣብ ከባቢኦም ቁልፊ ተራ ተጻዊቶም እዮም። መሊስካ ብህይወት ክምለሱ ምግባር፡ ንሳቶም ብዘይምህላዎም ዝተፈጥረ ሓጓፍ ብምምላእ፡ ነቲ ዝዓነወ ባይታ ስነ-ህይወት ንምላስ ኣወንታዊ ጽልዋ ከሕድር ተኽእሎ ኣለዎ\" ይብል። ብተወሳኺ፡ ምርምሮም ኻልኦት ዓሌታት ከይጠፍኡ ንምክልኻል ሳይንሳዊ በሪ ከኸፍት ይኽእል እዩ ዝብል ሞጎት’ውን የቕርብ። \"ታዝማኒያ ዴቪል፡ 20 ወይ 30 ደቂ [ጆይ] ትወልድ። ይኹን እምበር፡ ብኣጻብዕቲ ዝቑጸሩ ደቂ ጥራይ እዮም ብህይወት ዝተርፉ። ብፕሮጀክት ታይላሲን እነማዕብሎ ዘለና ኤክሶ-ፖውች፡ ኣብ ዕቀባ ታዝማኒያ ዴቪል ንዝሰርሑ ተጣበቕቲ ንምእማኑ ብዘጸግም መልክዑ፡ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል'ዩ\" ይብል። እንታይ ዓይነት ሓደጋታት ኣለዎ? ነቓፊት ቪክቶርያ ሄሪጅ፡ ኣብ ቤተመዘክር ተፈጥሮኣዊ ታሪኽ ተመራማሪት ፍልቀት ስነ-ህይወት፡ ህያው ህጻን ‘ማሞት’ ንምፍጣር ኣብ ዝግበር  ከይዲ፡ ካብ ዝተዓረየ ጂን ዝተፈጥረ ድቂ ፡ ኣብ ተካኢሓርማዝ ክትከል እንተተገይሩ፡ ንኻልኦት እንስሳታት ሓደጋ ከስዕብ ከምዝኽእል ትዛረብ። \"እዚ ን22 ኣዋርሕ ጥንሲ ክኸውንን ድሕሪኡ ክውለድን ምተገደደ፡ ከምኡ'ውን ዝተፈለየ ዓይነት እንስሳ ምተፈጥረ - እዚ ምሉእ ብምሉእ ኣዕናዊ መስርሕ'ዩ።\" \"እቲ ፈተነ፡ ብዘይ ገለ ከቢድ ዘይስነ-ምግባራዊ ፍጻመታት ኣይከኣልን'ዩ። እዚ ድማ ብመሰረቱ ተካእቲ ፍጥረታት [ኣደታት] ምጥቃም ዘካትት እዩ። እዚ ድማ ዘስካሕክሕ እዩ። ከምኡ'ውን ኣይክኸውንን'ዩ፡ ምኽንያቱ ኣርቲፊሻል ማህጸን ክትጥቀም ኣይትኽእልን ኢኻ\" ትብል። ቤንላም፡ ግን ኮሎሳል ነዚ ምላሽ ከምዘለዎ ይዛረብ፡ \"ብዘይካ እቲ ናይ ማህጸን መሳርሒታት ዘካተቶም ኣካላት፡ ነቲ ተባዕታዊ ኣካል መተካእታ ዝኸውን እንስሳ’ውን ኣዳሊና ኣለና\" ይብል። ስነ-ምግባራዊ ድዩ? ገለ ነቐፍቲ ነቲ ህይወት -ምምላስ [ዲ-ኤክሰቲንክሽን] ዝብል ሓሳብ ከም ዘይስነ-ምግባራዊ ይቖጽርዎ። ንልዕሊ 4000 ዓመታት ኣብ ምድሪ ዘይነበረ ‘ጨጓር ማሞት’ ዝኣመሰለ ዓይነት እንስሳ ዳግማይ ምትእትታው እንታይ ጽልዋ ከስዕብ ከም  ዝኽእል ዝፈልጥ የለን። እዚ ቴክኖሎጂ ከም ዝሰርሕ እንተተረጋጊጹ ድማ፡ ሳይንቲስት ኣበይ እዮም ደው ከብሉ ዝብል ሕቶ እውን  ከልዕል እዩ። ቪክቶርያ፡ ዝኾነ በዚ መንገዲ ዝተፈጥረ እንስሳ፡ ሓደ ዓይነት ቅዳሕ ናይቲ ቅድሚኡ ዝነበረ [ዝጠፍአ] ከምዘይከውን ምግንዛብ ኣገዳሲምዃኑ ትዛረብ። \" ህይወት-ምምላስ [de-extinction] ዝብሃል ነገርየለን። እቲ ክኸውን ዝኽእል ሙሉእ ብሙሉእ ሓዱሽ ነገር ምፍጣር እዩ። ሓደ ነገር ሓንሳብ ምስ ጠፍአ ኣኺልዎ ጠፊኡ እዩ። ናቱ ቅዳሕ ኢኻ ሒዝካክትምለስ እትኽእል”። ቤንላም ግን፡ እቲ ኣገዳሲ ነገር፡ በደል ወዲ ሰብ ምእራም ከምዘድሊ እዩ ይብል። \"ህይወት-ንምምላስን ወዲ ሰብ ዘውረዶ ጉድኣት ንምእራምን ዘድሊ ጸጋታትን ኣሎና\" ይብል። እዚ ዘበናዊ  ፕሮጀክት ዘለዎ ገንዘብን ሳይንሳዊ ተመክሮን፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ፡ ዝጠፍኡ ዓይነታት እንስሳታት ዳግማይ ንምርኣይ ኣብ ቐረባ ዘብጸሐና ይመስል።","category":"ውሕስነት እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cjke6g15zr2o"} {"headline":"ተፈጥሮ፡ ብጌጋ ካብ ኣንታርክቲክ ናብ ኒውዝላንድ 3,000 ኪሜ ዝተጓዕዘ ፐንጒን","content":"ሓደ ባህርያዊ ማሕድሮኡ ኣብታ ብበረድ ዝተሸፈነት ክፍለዓለም ኣንታርክቲካ ዝኾነ ፍሉይ ፐንጒን፡ ካብ ቦትኡ 3,000 ኪሜ ርሒቑ ኣብ ገማግም ሃገረ ኒውዚላንድ ተረኺቡ። በዚ ኣብ ዘይሓሰቦ ቦታ ዝበረቐ 'ኣደሊ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ፐንጒን ዝተገረሙ ነበርቲ ናይቲ ዝተራእየሉ ከባቢ፡ 'ፒንጉ' ክብሉ ናይ ቅብጥሮት ቅጽል ኣጠሚቖሞ ኣለዉ። ነባሪ እቲ ኣብ ከተማ ክራይስትቸርች ዝርከብ ከባቢ ዝኾነ ሃሪ ሲንህ፡ መጀመርታ ምስ ርኣዮ \"ልስሉስ ባንቡላ\" ከምዝመሰሎ ተዛሪቡ። ኣደሊ ፐንጒን ኣብ ገማግም ባሕሪ ኒውዚላንድ ክርከብ እዚ ንሳልሳይ ግዜ'ዩ ዘጋጥም ዘሎ። እቲ ነባሪ ናይቲ ከባቢ፡ ድሕሪ ነዊሕ ናይ ስራሕ መዓልቲ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ኣብቲ ገማግም እተዛነዩ እንከለዉ'ዩ ንፈለማ ግዜ ነቲ ፐንጒን ሪኤሞ። \"መጀመርታ፡ ልስሉስ ባንቡላ'ዩ መሲሉኒ፡ ሃንደበት ግን እቲ ፐንጒን ርእሱ ኣንቀሳቒሱ፡ ሽዑ ድማ'የ ናይ ብሓቂ ምዃኑ ኣስተውዒለ\" ክብል ሲንህ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ኣብቲ ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ዝተለጠፈ ቪድዮ እቲ ፐንጒን ዝተደናገረን ዝጸመዎን መሲሉ ይርአ። \"ንሓደ ሰዓት ኣይተንቀሳቐሰን . . . ዝደኸመ'ዩ [ዝመስል]\" ይብል ሲንህ። በቶም ኣብቲ ገማግም ፊንፊን ዝብሉ በላዕቲ እንስሳታት ከይብላዕ ዘሻቐሎ እቲ ነባሪ፡ ንዝምልከቶም ካላት ድሕነት ፐንጒን ሓቢሩ። \"ኣብ ከብዲ ከልቢ ወይ ድሙ ክኣቱ ኣይደለናን\" ኢሉ። ኣብ መወዳእታ፡ ናብቲ ኣብ ደቡባዊ ደሴት እታ ሃገር ብክንክን ፐንጒን ዝፍለጥ ቶማስ ስትራክ በጺሑ። በዚ ኸኣ ቶማስ፡ ምስ ካልእ ሓኪም እንስሳ ብምዃን ኣብታ ምሸት ነቲ ፐንጒን ኣድሒኖሞ። ጥምየትን ጽምእን ብዝተገብረሉ መርመራ ደም፡ እቲ ፐንጒን ትሕቲ-ሚዛን ኮይኑን ጸሚኡን ተረኺቡ። ስለዚ ድማ ፈሳሲ ተዋሂብዎ፡ ብቱቦ ድማ ተመጊቡን። ኣብ መወዳእታ፡ ትንፋስ ምስ መለሰ፡ ኣብቲ ኣኽላባት ዘይብሉ 'ባንክ ፐኒንሱላ' ዝተባህለ ወሽመጥ ክልቀቕ ምዃኑ ተፈሊጡ። እቲ ፍጻመ ኣብታሪኽ ንሳልሳይ ግዜ ዘጋጥም ዘሎ'ዩ። ኣብ 1993 ከምኡ'ውን ኣብ 1962 ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣደሊ ፐንጒን ኣብ ገማግም ኒውዚላንድ ተረኺቦም ነይሮም። ኣደሊ ኣብታ ሃገር ምርኣይ ንቡር ኣይኮነን፡ እናበዝሑ እንተኸይዶም ግን ዘሻቕል ምልክት ክኸውን ከምዝኽእል ኪኢላታት ይእምቱ። \"ዓመት ዓመት ኣደሊ ፐንጒን ክንርኢ እንተጀሚርና፡ ኣብቲ ውቅያኖስ ገለ ክንርድኦ ዘለና ነገር ኣሎ ክንብል ንጅምር ይመስለኒ\"ክብል ኣብ ኦታጎ ዩኒቨርሲቲ ናይ ስነ-እንስሳ ፕሮፌሰር ፊሊፕ ሴዶን፡ ንመርበብ ዜና ዘ ጋርድያን ተዛሪቡ። \"ተወሳኺ መጽናዕቲ ምግባር ፐንጒን ናበይ ከምዝኸዱ፡ እንታ ይከምዝገብሩን ኣብ ብዝሖም ዘሎ ለውጥታት እንታይ ከምዝመስልን ምፍላጥ፡ ብዛዕባ ጥዕና ስርዓተ-ማሕድሮ ባሕሪ ገለ ኣመት ክህበና'ዩ\" ኢሉ።","category":"ውሕስነት እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59266961"} {"headline":"ሓደ ሰብኣይ፡ ከም እንስሳ ዘቤት ብዘዕበዮ ካንጋሩ ተቐቲሉ","content":"ሓደ ኣውስትራልያዊ ሰብኣይ፡ ከም እንስሳ ዘቤት ኣዕብይዎን ኣላሚድዎን ብዝጸንሐ ካንጋሮ ተጠቒዑ ከም ዝሞተ ፖሊስ ሓቢሩ። ትማሊ ሰኑይ፡ ቀረባ ዘመድ'ቲ ወዲ 77 ዓመት ሰብኣይ፡ ኸቢድ መጕዳእቲ ኣጋጢምዎ ኣብቲ ካብ ፐርዝ ንደቡብ ኣስታት 400 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ሬድሞንድ ዝርከብ መንበሪ ገዛኡ ረኺብዎ። ሰራሕተኛታት ኣምቡላንስ ኣብቲ  ከበቢ ምስ በጽሑ፡ እቲ ካንጋሩ ነቲ ሰብኣይ ከይሕክምዎ ከልኪልዎም። ፖሊስ፡ ነቲ እንስሳ ብጥይት ክቐትልዎ ከምዝተገደዱን፡ ሓገዝቲ ሓካይም ንኽሕግዝዎ ከምዝፈተኑ ይገልጽ። እቲ ሰብኣይ ግን ሽዑ ንሽዑ ኣብቲ ቦታ ሞይቱ። ወሃቢ ቓል ፖሊስ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ሰብኣይ ኣቐዲሙ በቲ ካንጋሮ - እንስሳ ዘገዳም - መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞ እዩ ዝኣምን። ኣውስትራልያ፡ ኣስታት 50 ሚልዮን ካንጋሮ ዝነብሩላ ኰይና፡ ክሳብ 90 ኪሎ ግራም ዝምዘኑን፡ ክሳብ 2 ሜትሮ ቁመት ዝንውሓቶምን እዮም። ሞት ዘስዕቡ መጥቃዕትታት ክፍጸሙ ግን ልሙድ ኣይኰነን። እዚ ናይ ሕጂ መጠጥቃዕቲ፡ ድሕሪ 1936 ኣብ ኣውስትራልያ ንፈለማ እዋን ዝኸውን ዘሎ። ካንጋሮ፡ በሊሕ ኣስናን፡ ኣጽፋርን ሓያል እግርን ከም ዘለዎን፡ ተመራመሪ ባህሪ ካንጋሮ ግሬም ኮልሰን ንኮርፖሬሽን ብሮድካስቲንግ ኣውስትራልያ [ABC] ሓቢሩ። \"ብርግጽ ንበይኖም እንተተፈልዮም ወይ ኣብ ገለ ዓይነት ጭንቀት እንተኣትዮም፡ ኣዝዮም ሓደገኛታት ክዀኑ ይኽእሉ'ዮም\" ይብል ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ኮልሰን። \"እቲ ጸገም፡ ካንጋሮን ሰባትን ክልተና ትኽ ዝበልና እንስሳት ኢና፤ ብኽልተ እግርና ደው ኢልና ንኸይድ፡ ከምኡ ዓይነት ቅንዕ ዝበለ እንስሳ ድማ ንተባዕታይ ካንጋሩ ብድሆ'ዩ።\" ኣብ ሓምለ፡ ሓንቲ ጓል 67 ዓመት ሰበይቲ ኣብ ኲንስላንድ ኣብ እትጓዓዘሉ ዝነበረት እዋን ሓደ ካንጋሩ፡ እግራ ሰይሩ ጉድኣት ኣውሪዱላ። ከምኡ’ውን ሓንቲ ጓል ሰለስተ ዓመት ቈልዓ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ኒውሳውዝ ዌልስ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ርእሳ ከቢድ መጕዳእቲ ኣጋጢምዋ። ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ምስ ምስፍፋሕ ከተማታት ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ልዕሊ መካነ-እንስሳት ካንጋሮ፡ ጉድኣት የብጽሕ ከምዘሎ ይዝረብ።","category":"ውሕስነት እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c19jwzj94xzo"} {"headline":"ደቡብ ኣፍሪቃ: ለማዳ ኣናኮንዳ ካብ ዋንኣ ስለዝተሰወረት ነበርቲ ጥንቃቐ ክገብሩ ተነጊርዎም","content":"ክልተ ሜትሮ ቁመት ዘለዋን ቢጫ ዝሕብራን ሜዱሳ ዝተብሃለት ለማዳ ኣናኮንዳ (ዓይነት ገበል) ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሰሜናዊ ሸነኽ ከተማ ደርባን ከምዝተሰወረት ተሓቢሩ። ወናኒ ናይታ ዝተሰወረት ኣናኮንዳ ዝኾነ ፕረሰን ኔር፡ ነበርቲ ፎኒክስ ንኸይፈርሑ ተማሕጺኑ። “እታ ኣናኮንዳ ለዋህን ፈራሕን እያ” ክብል ንመደበር ራድዮ ‘ኢስት ኮስት’ ተዛሪቡ። ሆሊዉድ ነቶም ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ጫካ ኣማዞን ዝርከቡ ዘይተናኸስቲ ኣናኮንዳ ሕማቕ ሽም ሂቦምዎም ኢሉ። ፕረሰን “ንሳ [እታ ኣናኮንዳ] ኣይትጓድኣን’ያ፣ ከምቲ ኣብ ድራማታት እትርእይዎ ኣይክተበልዓኩሙን እያ” ኢሉ። እታ ኣናኮንዳ ኣብ ዝሓለፈ ሮብዕ ምሸት እትነብረሉ ጋብላ እንዳጸረየ እንከሎ ኣምሊጣ ከምዝተሰወረት ሓቢሩ። እቲ መንበሪኣ ዝሑል ኩነታት ኣየር ንምፍጣር ተባሂሉ ማይ ከምዘለዎ ዝሓበረ ኔር ንኽተጽርዮ ክልተ መዓልቲ ከምዝወስድ ገሊጹ። እታ ኣናኮንዳ መንበሪኣ ክሳብ ጽገና ዝግበረሉ ኣብ ሓደ ቱቦ ተዓጽያ’ኳ እንተነበረት ነቲ መሸጎር ሰይራ ክተምልጥ ኪኢላ። ዓሰርተ ሓሙሽተ ኣትማን ዘለዎ ኔር፡ ኣናኮንዳ ሜዱሳ ከም ዕድል ኮይኑ ኣርሒቓ ከይዳ ምናልባት’ውን ጽምዋ ኣብ ዝዓሰሎ ሓደ እግሪ ጽላል ትዘናጋዕ ትህሉ ኢሉ። “እቲ ጉዳይ ካልእ ክፉእ ሰብ ረኺቡ እንከይቀተላ እንከሎ ናይ ምርካብ’ዩ ኮይኑ” ዝበላ ወናኒ እታ ኣናኮንዳ ዝኾነ ንዕኣ ዝረኸበ ሰብ እንተሎ ክሕብሮ ከምዘለዎ ተማሕጺኑ’ሎ።","category":"ውሕስነት እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60180634"} {"headline":"ባርዕ ጫካ ኣውስትራልያ “ልዕሊ ሰለስተ ቢልዮን እንስሳታት ቀቲሉን ሃስዩን”","content":"ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣውስትራልያ ዘጋጠመ ባርዕ ጫካ፡ ልዕሊ ሰለስተ ቢልዮን እንስሳታት ከምዝሞቱን ከምዝተፈናቐሉን ዝተገበረ መጽናዕቲ ይሕብር። እቲ ዝተገበረ መጽናዕቲ፡ “ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ዘጋጠመ ዝኸፈአ ሓደጋ” ምዃኑ ከምዘርኢ፡ ነቲ መጽናዕቲ ዝመወለ ዓለም-ለኻዊ ትካል ምዕቃብ ተፈጥሮ ኣፍሊጡ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣውስትራልያ ዘጋጠመ ባርዕ ጫካ፡ 33 ሰባት ከምዝቐተለ ይዝከር። ካብ እንስሳታት እውን ኣጥበውቲ፣ ለመምታ፣ ኣዕዋፍን እንቅሮዖብን ብብዝሒ ብሰንኪ እዚ ባርዕ ሞይቶም እዮም። እቲ ባርዕ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይ 2020 ኣብ ዝኸፈአ ደረጃ ኣብ ዝበጸሓሉ፡ ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስን ቪክቶርያን ጥራይ፡ ብሰንኪ እዚ ባርዕ 1.25 ቢልዮን እንስሳታት ከምዝሞቱ’ዮም፡ እቶም ተመራምርቲ ሓቢሮም። እቲ ምርምር ኣብ 11.46 ሚልዮን ሄክታር (ማዕረ ስፍሓት ዓዲ እንግሊዝ) ዝተገበረ ኮይኑ፡ ካብ ወርሒ መስከረም ክሳብ ወርሒ ለካቲት ንዝነበረ ግዜ ዘጠቃለለ እዩ። እቲ ዝተፈጠረ ጽልዋ እንታይ እዩ? 10 ተመራመርቲ መሪሑ ነዚ ምርምር ዘካየደ ፕሮፌሰር ክሪስ ዲክማን፡ “ሰለስተ ቢልዮን እንስሳ ጠፊኦም ወይ ተፈናቂሎም ክንብል እንከለና፡ እቲ ቁጽሪ ኣዝዩ ዓቢ እዩ”ኢሉ። እቲ ፕሮፈሰር ብዝሒ ናይ ዝሞቱ እንስሳ ንምግላጽ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምዃኑ ብምሕባር፡ እቶም ኣብ ክሊ እቲ ባርዕ ዘጋጠመሉ ቦታ ይነብሩ ዝነበሩ እንስሳታት፡ ዋላ ካብቲ ባርዕ ይውጽኡ ብሰንኪ ጽምእን ጥምየትን ናይ ምድሓን ተኽእሎኦም ጸቢብ ምዃኑ እዩ ዝገልፅ። እቲ ቁጽሪ ቅድሚ እቲ ባርዕ ምኽሳቱ ኣብቲ ቦታ ይነብሩ ዝነበሩ እንስሳታት ምስ ናይ ሕጂ ብምቕማር ከምዝረኸብዎ’ውን፡ ፕሮፌሰር ክሪስ ዲክማን ሓቢሩ። ብሓፈሻ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብቲ ባርዕ ዘጋጠመሉ ከባቢታት 30 ሚእታዊት ካብ እንስሳታት ከምዝሞቱ ወይ ከም ከምዝተፈናቐሉ እዩ እቲ መጽናዕቲ ዝሕብር። መንግስቲ ኣውስትራልያ ንሕውየት እዚ ብባርዕ ዝተሃሰየ ከባቢታት፡ እንስሳታት ናብ ንቡር ንክምለሱ፡ 35 ሚልዮን ዶላር ከምዝሰለዐ ይፍለጥ።","category":"ውሕስነት እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53567535"} {"headline":"ብዕድመ ‘ዝዓበየት’ ዑፍ ኣብ 70 ዓመታ ጫጪሓ","content":"ዊዝደም ዘ ኣልባትሮስ ዝተብሃለት፡ ብዕድመ ዝዓበየት ዑፍ ዘገዳም፡ ኣብ 70 ዓመታ ከምዝጫጨሐት ተፈሊጡ። እታ ዑፍ፡ ኣብ ለካቲት ሓደ ኣብ ሰሜን ሰሜናዊ ውቅያኖስ ከም ዝጫጨሐት ናይ ኣመሪካ ኣገልግሎት ዓሳን ኣዕዋፍን ገሊጹ። እንተኾነ ኣብዚ ሰሙን እዩ እቲ ዜና ወጺኡ ዘሎ። ላይሶን ኣልባትሮስ ዝበሃላ ዓሌት ኣዕዋፍ ብዙሕ ግዜ ካብ 12 ክሳብ 40 ዓመት እየን ዝነብራ። እዛ ዊዝደም ዝተብሃለት ዑፍ ግና፡ ተመራመርቲ ኣብ 1956 እዮም ተረኪቦምዋ። አከኣካሚ ዝተብሃለ ተባዕታይ ዑፍ መሓዛኣ ኾይኑ፡ ካብ 2012 ጀሚሮም መጻምዲ እዮም። እዘን ዓሌት ኣዕዋፍ እዚኣን፡ ኣብ ህይወተን ሓደ መሓዛ እየን ዝሕዛ። እዛ ዊዝደም እትበሃል ዑፍ ግን፡ ቅድሚ ሕዚ ካልኦት መሓዙት ነይሮምዋ እዮም። እቲ ኤጀንሲ ከምዝበሎ፡ ዊዝደም ኣብ መወዳእታ ሕዳር እያ እንቋቖሖ ኣውዲቓ። ዊዝደም፡ ነቲ ጫጩት ኣብ ምጭጫሕን ምምጋብን ምስቲ ተባዕታይ መሓዛኣ ይተሓጋገዙ እዮም ተባሂሉ።","category":"ውሕስነት እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56305780"} {"headline":"ኣብ ውቅያኖስ ዝግበር ፈተነ ኣጽዋር ክሳብ ክንደያ ሃስያ የውርድ ይኸውን?","content":"ኣብዚ ስእሊ፡ ዓቢ ክፋል እዚ ባሕሪ ናብ ጻዕዳ ተቐይሩ ኣሎ፡ እቲ ድሒሩ ዝተፈጠረ ብርቱዕ ማዕበል ኸኣ ነታ ካሜራ ዓቢ ነዝነዝታ ፈጢሩላ። ብድሕሪ እዚ ብዙሕ ማይ ናብ ሰማይ ከውንጨፍ ይረአ፡ ሕጊ ተፈጥሮ ንኸይተርፍ ኸኣ ብስሕበት መሬት ናብ ዝነበሮ ይምለስ፡ ካብቲ ቦታ ቅሩብ ርሕቕ ኢላ ኸኣ ዓባይ ናይ ውግእ መርከብ ትረአ። ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፡ ነፈረቲ ውግእ እትጽዕን ዩኤስኤስ ጀራልድ ኣር ፎርድ ዝተሰመየት ሓዳስ ናይ ውግእ መርከብ ኣብ ከባቢኣ ንዝፍጥር ነቱጒ ክሳብ ክንደይ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ኣለዋ ንምፍላጥ ፈተነ ኣካይዱ ነይሩ። ነቲ ፈተነ ንምክያድ 18 ቶን ተባረዒ እዮም ተጠቒሞም፡ እዚ ኸኣ ክልተ ዕጽፊ ናይቲ ብኣመሪካ ዝውነን 'ማዘር ኦፍ ኦል ቦምብስ' ዝብሃል ዝበርተዐ ዘይኒኩለራዊ ቡንባ እዩ። እቲ ዝተፈጠረ ነቱጒ ኣዝዩ ብርቱዕ ከም ዝኾነን ኣብቲ ከባቢ 3.9 ሬክተር ዓቐን ምንቅጠቃጥ መሬት ከምዝፈጠረን ትካል ሜትሮሎጂ ኣመሪካ ሓቢሩ። ብዙሓት ሰባት'ውን ነቲ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክቐባበልሉ ተራእዮም። ነቲ ብርቱዕ ነቱጒ ዝርኣዩ ሰባት ኸኣ \"እቲ ነቱጒ ኣብ ማያዊ ኣካል እንታይ ዓይነት ሃስያ የውርድ ይኸውን?\" ዝብል ሕቶ ይደጋግሙ ነይሮም። ኤዲተር ቢቢሲ ሳይነስ ዴቪድ ሹክማን \"እቲ ነቱጒ ንሓንቲ ናይ ውግእ መርከብ ከዕኑ ዝኽእል እነተኾይኑ ኣብ ማያውያን ፍጥረታት ዕንወት ከውርድ ከምዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን\" ድሕሪ ምባል \"ገፈፍቲ ዓሳ፡ ዓሳ ንምሓዝ ሚና [ዳይናማይት] ይጥቐሙ'ዮም፡ ስለዚ እዚ ነቱጕ እዚ ንማያውያን ፍጥረታት ክቐትሎም ይኽእል እዩ፡ እቲ ነቱጒ ብርቱዕ እንተኾይኑ ኸኣ ብተዛማዲ ብዙሓት ማያውያን ፍጥረታት ክቐትል ይኽእል\" ይብል። ሚካኤል ጃስኒ፡ ዳይረክተር ምክልኻል ኣጥበውቲ ፍጥረታት ማይ ኮይኑ፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት \"ካብቲ ነቱጒ ዝተፈጠረሉ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኪሎ ሜተር ጩራ (ኣርባዕተ ኪሎሜተር ሰንጣቂት) ዝርከቡ ፍጥረታት ክሞቱ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ዓቢ እዩ፡ እቶም ካብቲ ነቱጒ ኣስታት ዓሰርተ ኪሎ ሜተር ርሒቖም ዝርከቡ ኸኣ ክጸምሙን መጠናዊ ጉድኣትን ከጋጥሞም ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ\" ኢሉ። ብሰንኪ እቲ ብርቱዕ ድምጺ ብዙሓት ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ማያውያን ፍጥረታት ከበሮ እዝኖም ክትኮስን ክጸሙን ከምዝኽእሉ ኸኣ ዴቪድ ሹክማን ይሕብር። \"ማዕበል ድምጺ ኣብ ማይ ብዙሕ'ዩ ዝጉዓዝ፡ ዓሳ ነባሪ ዋላ ኣማኢት ኪሎሜተር ተረሓሒቆም እንከለዉ ንሓድሕዶም ንምርድዳእ ናይ ድምጺ ማዕበል ይጥቀሙ። እቲ ነቱጒ ኣዝዩ ብርቱዕ ምስ ዝኸውን ክፈጥሮ ዝኽእል ዕንወት ንምርዳእ ኸኣ ካብዚ ነጥቢ እዚ ክንብገስ ንኽእል ኢና፤ እቲ ብዙሕ ዘይስማዕ ድምጺ ዓሳ ነባሪ ኣማኢት ኪሎ ሜተራት እናተወንጨፈ፡ እቲ ብርቱዕ ነቱጒ ኣበይ ክብጽሕ ይኽእል?\" መብዛሕትኦም ከም ዓሳ ነባሪ ዝኣመሰሉ ኣጥበውቲ ማያውያን ፍጥረታት ኣብ ማያዊ ባይታ እዮም ዝነብሩ፡ ክሳብ 2,000 ሜትሮ ንውሽጢ ተነቒቶም ኸኣ መዓልታዊ ንጥፈታቶም የካይዱ፡ ናብ ውሽጢ ውቕያኖስ እናተነቖቱ ኣብ ዝኸድሉ ብርሃን ጽሓይ ነቲ ማይ ሰንጢቑ ታሕቲ ስለዘይበጽሕ ኣዝዩ ጽልማት'ዩ ንሓድሕዶም ኸኣ ብድምጺ እዮም ዝርዳድኡ፡ ብሰንኪ ብርቱዕ ነቱጒ ክሰምዑ እንዘይክኢሎም ግን ክነብሩ'ውን ኣይክእሉን'ዮም። ካብዚ ብምብጋስ'ዮም ተመራመርቲ፡ 'ጸማም ዓሳ ነባሪ ምዉት'ዩ' ዝብሉ። ኣብ ውሽጢ ማይ ዝግበር ናይ ነቶጕቲ ፈተነ፡ ብርቱዕ ናይ ማይን ናይ ድምጽን ማዕበል ይፈጥር'ዩ፡ ብሰንኪ እቲ ብቅጽበት ዝፍጥር ብርቱዕ ድመጺ ብዙሓት ማያውያን ፍጥረታት ከምዝሞቱ ኸኣ ሕሉፍ ሰነዳት የረድእ። ኣብ ነሓሰ 2019 ኣብ ባሕሪ ባልቲክ ክልተ ነቶጕቲ ተረፍ ናይ ካልኣይ ኵናት ዓለም ንምብርዓን ብዝተፈጠረ ነቱጒ ብውሕዱ ሸሞንተ ፖርፕስ ዝብሃሉ ዓሌታት ሓሰማ ባሕሪ ከምዝጸመሙን ከምዝሞቱን ኣብ ግዚኡ ተሓቢሩ ነይሩ። ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት'ውን ኣብ ስኮትላንድ ብስንኪ ነትጒ ብዝተፈጠረ ብርቱዕ ማዕበል 39 ዓሳ ነባሪ ናብ መሬት ተደፊኦም ከምዝወጽኡን ካብኦም እቶም 19 ከምዝሞቱን ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብ 2013'ውን ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፡ ኣብ ባሕርን ውቅያኖሳትን ዝግበር ልምምድን ፈተነ ነቶጕትን ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት ኣማኢት ዓሳ ነባርን ዶልደፊንን ክቐትልን ኣሽሓት ከሰንክል ከምዝኽእል ግምታቱ ብመጽናዕቱ ኣሰንዩ ኣቕሪቡ ነይሩ። ዋላ እኳ ብዛዕባ እቶም ብሰንኪ እቲ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ዝግብር ፈተነ ኣጽዋር ዝሞቱ ዓበይቲ ማያውያን ፍጥረታት መጠናዊ ኣፍልጦ ይሃሉ፡ መጠን ናይቶም ንኣሽቱን ብሰንኪ እቲ ነቱጒ ዝያዳ ክህሰዩ ዝኽእሉ ማያውያን ፍጥረታት ንምፍላጥ ግን ኣዝዩ ኣሸጋሪ'ዩ። ፒተር ዋርድ፡ ኣብ ውሽጢ ማይ ዝፍተኑ ነቶጕቱ ዝፈጥርዎ ዕንወት ዘጽንዕ ተመራማሪ ኮይኑ ኣብ 2015 ሓደ ጸብጻብ ኣቕሪቡ ነይሩ። ፒተር፡ ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ኣብ መዓላ ዝወዓለ ተፈንጃሪ ኣብ ማያውያን ፍጥረታት ክሳብ ክንደይ ይንወት ከስዕብ ይኽልእ ኣብ ዝብል ነጥቢ ኣቶኵሩ'ዩ መጽናዕቱ ኣካይዱ። \"ብሓፈሻ ናይ ማይ ነቶጕቱ ካብ 450 ክሳብ 680 ኪ.ግ ዝምዘን ተባራዒ ኣካል እዩ ዘለዎም፡ እዚ ኸኣ ካብቲ ዝተፈንጀርሉ ከባቢ ካብ 300 ክሳብ 630 ሜትሮ ርሒቖም ዝርከቡ ፍጥረታት ምሉእ ንምሉእ ክቐትል ዝኽእል እዩ፡ እቲ ክብደት ናይ ተፈንጃሪ እናወሰኻ ኣብ ዝኸደሉ ኸኣ መጠን ሳዕቤኑን ዝሽፍኖ ቦታን እናወሰኸ ይኸይድ\" ይብል። ፒተር ብምስዓብ \"እቶም ማያውያን ፍጥረታት ዝገዘፉ ዝንተኾይኖም ዝያዳ ብህይወት ናይ ምትራፍ ዕድል ኣለዎም\" ይብል።","category":"ውሕስነት እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57578375"} {"headline":"ንሻርክ ኣጉሲጡ ሰበይቱ ዘድሓነ ሰብኣይ","content":"ኣብ ኣውስትራልያ፡ ሓደ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ ኣብ ባሕሪ እናሰፈፉ እናሓምበሰ እንከሎ፡ ንሰበይቱ ሻርክ ከጥቀዓ ጀሚሩ። እቲ ሻርክ፡ ናብ ጥቓ እቶም እናሰፈፉ ዝዘናግዑ ዝነበሩ ሰብኣይን ሰበይትን ምስቀረበ፡ ሽዑ ንሽዑ እዩ ብበሊሕ ኣስናኑ ንእግሪ እታ ሰበይቲ ነኺሱዋ። ነዚ ዝረኣየ ሰብኣያ ድማ፡ ዘሊሉ ናብ ዝባን እቲ ዓሳ ደይቡ ከጉስጦ ጀሚሩ። እዚ ቻንተል ዶይል ዝበሃል ወዲ 35 ዓመት ሰብኣይ፡ ነቲ ሻርክ ደጋጊሙ ብጉሲጢት ኣጥቂዕዎ። ንጉስጢ ዶይል ክጻወር ዘይከኣለ ሻርክ፡ ነቲ ነኺስዎ ዝነበረ እግራ ሰዲዱ ኣንሳሒቡ እዩ። ዶይል ድማ ንሰበይቱ ተሸኪሙ ናብ’ቲ ገምገም ባሕሪ ወጺኡ። እዚ ፊልም ዝመስል ኣጋጣሚ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብ ዝበሃል ቦታ እዩ ኣጋጢሙ። እታ የማናይ እግራ በቲ ሻርክ ዝተነኸሰት ሰበይቲ ድማ፡ ከቢድ ሃስያ ስለዝበጽሓ ናብ ሆስፒታል ተወሲዳ። ናይ’ቲ ኸባቢ ሰብ መዚ ከምዝበልዎ፡ ሰለስተ ሜትሮ ዝንውሓቱ ብዕድመ ንእሽቶ ሻርክ እዩ ኣጥቂዕዋ። እቲ ምስ ሻርክ ተጓሲጡ ህይወት በዓልቲ ቤቱ ዘድሓነ ሰብኣይ ድማ፡ ካብ ኣውስትራልያውያን ናእዳ ይቐርበሉ ኣሎ። ኣብ’ታ ብውቅያኖስ ዝተኸበበት ኣውስትራልያ፡ ሰባት ምስ ሻርክ ክጋጠሙ እዚ ንመጀመርያ ግዜ ኣይኮነን። ኣብ’ዚ ኒው ሳውዝ ዌልስ ዝበሃል ግዝኣት፡ ሻርክ ንሰባት ከጥቅዕ ከሎ ኣብ’ዚ ወርሒ ጥራይ ንሳልሳይ ግዜ እዩ።","category":"ውሕስነት እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53798620"} {"headline":"ንሃመማ ክቐትል ገዝኡ ብሓዊ ዘቃጸለ ሰብ","content":"ኣብ ፈረንሳ፡ ሓደ ውልቀ ሰብ ኣብ ገዝኡ ዝኣተወ ሃመማ ንምቅታል ኣብ ዝፈተነሉ ገለ ክፋል ገዝኡ ብሓዊ ከምዘቃጸሎ ተገሊጹ። እዚ ወዲ 80 ዓመት ዝኾነ ፈረንሳዊ፡ ኣብ ገዝኡ ክድረር ኣብ ዝቐራረበሉ ዝነበረ ግዜ እዩ ሃመማ ኣብቲ ከባቢ እቲ ዝምገበሉ ዚዝ ክብል ጀሚሩ። ቅድሚ ምድራሩ ነቲ ሃመማ ንምቅታሉ ስለዝሓለነ ድማ ብኤለትሪክ ዝሰርሕ ንመቅተሊ ሃመማን ጠንጡን ዘገልግል ራኬት ተጠቂሙ ነቲ ሃመማ ክሃድኒ ጀሚሩ። እንተኾነ ኣብ ክሽንኡ ድሮ ክልሑኽ ጀሚሩ ዝነበረ ጋዝ በቲ ምቕተሊ ሃመማ ዝፍጠር ብልጭታ ስለዝተቓጸለ ኣብቲ ገዛ ባርዕ ተላዒሉ። እቲ ኣብ ፓራኩል ቸንዋድ ኣብ እትብሃል ፈረንሳዊት ቁሸት ዝነብር ሽማግል፡ ብሰንኪ እቲ ዝተላዓለ ባርዕ ክሽንኡ ምሉእ ንምሉእ ክቃጸል እንከሎ ገለ ክፋል ናሕሲ ናይ ገዝኡ’ውን በቲ ባርዕ ብኸቢድ ዓንዩ ኣሎ። እቲ ስሙ ዘይተገለጸ ፈረንሳዊ በቲ ዝተላዓለ ባርዕ ኣብ ገለ ክፋል ኢዱ እኳ እንተነደደ ብህይወት ግን ክወጽእ ክኢሉ ኣሎ። ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ድማ ካብቲ ብርቱዕ ባርዕ ክወጽእ ብምኽኣሉ ‘እቲ ዕድለኛ ሰብኣይ’ እናበለ ገሊጸነኦ። እተን ማዕከን ዜናታት እቲ ‘ሃመማኸ ሞይቱ’ዶ ይኸውን?’ ብምባል ነቲ ዜና ዋዛ ሓዊሰን ከቃልሐኦ ተሰሚዐን። ስድራ እዚ ሽማግለ ነቲ ብባርዕ ብኸቢድ ዝዓነወ ገዛ ድሮ ክጽግንዎ ጀሚሮም ኣለዉ።","category":"ውሕስነት እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54054682"} {"headline":"ኣውስትራልያ ንሰላማዊ ውቅያኖስ ሰጊሩ ናብታ ሃገር ንዝኣተወ ርግቢ ክትቀትል እያ","content":"ንሰላማዊ ውቅያኖስ ቆሪጹ ናብ ኣውስትራልያ ዝኣተወ ርግቢ ንጽኑዕ መምርሒታት ውሸባ እታ ሃገር ስለ ዝጠሓሰ ክቕተል እዩ። እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኦሪገን፡ ኣሜሪካ ካብ ዝካየድ ዝነበረ ውድድር ከም ዘምለጠ ዝተገለጸ ርግቢ፡ ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ እዩ ኣብ ሜልበርን ኣውስትራልያ ተራእዩ። እቲ ጆ ተሰምዩ ዘሎ ርግቢ፡ ንኢንዱስትሪ መፍረ ደርሆን ብዝሓ ኣዕዋፍ ኣውስትራልያን \"ቀጥታዊ ስግኣት\" ዝፈጥር ምዃኑ ሰብ መዚ ተዛሪቦም። እቲ ርግቢ ተታሒዙ ክቕተል ምዃኑ'ውን ተገሊጹ። ነባሪ ሜልበርን ኬቨን ሴሊበርድ ነቲ ርግቢ ብ 26 ታሕሳስ ኣብ ቀጽሪ ናይ ገዝኡ ከም ዝረኸቦ ተዛሪቡ። ንሱ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ \"ኣዝዩ ማህሚኑ እዩ ነይሩ፤ ብሽኮቲ ሰባቢረ ሂበዮ\" ኢሉ። ኬቨን ኣብ ኢንተርነት ድሕሪ ዝገበሮ ኣለሻ፡ እቲ ርግቢ ናይ ሓደ ነባሪ ኣላባማ ምዃኑን ካብ ውድድር ከም ዘምለጠን ተገንዚቡ። ጆ ኣብ ኣውስትራልያ ከም ዝተርኣየ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ኣዘራራቢ ምስ ኮነ፡ ተመሓላላፊ ሕማማት ዘስግኦም ሰብ መዚ ኣውስትራልያ ንኬቨን ረኺቦምዎ። እቲ ርግቢ ዛጊት ኣይተትሓዘን ኣሎ፤ ክፍሊ ሕርሻ፡ ማይን ኣከባቢን ኣውስትራልያ ገና ናብ ካልኦት ኣዕዋፍ ሕማማት ከመሓላልፍ ከም ዝኽእል ብምግላጽ ክተሓዝ ከም ዘለዎ ሓቢሩ። \"ካበይ መጺኡ ብዘየገድስ፡ ዝኾነ ናብዚ ሃገር ዝኣቱ ዘቤታዊ ዑፍ ነቲ መምርሒታት እንተዘይኣማሊኡን መርመራታት እንተዘይተኻይድሉን ኣብ ኣውስትራልያ ክጸንሕ ኣይፍቀድን\" ኢሉ ወሃቢ ቃል እቲ ክፍሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ። \"እቲ እንኮ ድሕነት ህይወታውያን እንከላኸለሉ መገዲ እቲ ዑፍ ርህራሀ ብዘለዎ መገዲ ከም ዝመውት ምግባር እዩ\" ኢሉ። እቲ ዑፍ ምዕራባዊ ገማግም ኣሜሪካ ናብ ደበባዊ ኣውስትራልያ ዘሎ 8,000 ማይል ብኸመይ ክጉዓዞ ከም ዝኸኣለ ዛጊት ኣየተፈለጠን፡ እንተኾነ ግና ብናይ ጽዕነት መራኽብ ተጓዒዙ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግምቱ። ናብ ኣውስትራልያ ብሕጋዊ መገዲ ርግቢ ምእታው ዝፍቀድ እኳ እንተኾነ እቲ መስርሕ ከቢድን ኣሰርተታት ኣሽሓት ዶላራት ዘኽፍልን ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 10 ዓመት ካብ ኣሜሪካ ዘእተወ ከም ዘየሎ ይግለጽ። ጆ፡ ብሰንኪ ጽኑዕ ሕጋጋት ምእታው እንስሳ ኣውስትራልያ ጸገም ዝረኸበ ናይ ፈለማ እንስሳ ኣይኮነን። ኣብ 2015 ተዋሳእቲ ጆኒ ደፕን ናይ ሽዑ በዓልቲ ቤቱ ኣምበር ሀርድን ብውልቃዊ ነፋሪቶም፡ ፒስቶልን ቡን ንዝተብሃሉ ክልተ ኣኽላባቶም ናብ ኣውስትራልያ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ድሕሪ ምእታዎ ይቕሬታ ክሓቱ ተገዲዶም እዮም።","category":"ውሕስነት እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55673222"} {"headline":"ናይ መወዳእታ ተወዳደርቲ ሽልማት ‘ኮሜዲ ዋይልድ ላይፍ ፎቶግራፊ 2021' ወግዓዊ ኮይኖም","content":"ናይዚ ዓመት ናይ መወዳእታ ተወዳደርቲ ሽልማት ‘ኮሜዲ ዋይልድ ላይፍ ፎቶግራፊ 2021' ዕላዊ ኮይኖም፤ እቶም ኣብ ናይ መወዳእታ ብርኪ ዝበፅሑ 42 ተወዳደርቲ፡ ካብ ሕዛእቲ እንስሳት፡ ሰብኣዊ ባህሪ ናይ ዝተላበሱ እንስሳት ኣገላልፃ (anthropomorphic) ብስእሊ ዘርእዩ እዮም። ኣብዚ ውድድር ዝቐርረቡ ስእልታት ዘስሕቑ ኮይኖም፤ ከም ኣብነት ዝደርፍ ዘሎ ዝመስል ህበይ፣ ብጣዕሚ ዝነደረ ስታርሊንግ (ዓይነት ዑፍ) ዝኣመሰሉ ህሞታት እንስሳት ዘገዳም ዘንፀባርቑ’ዮም። ንናይዚ ዓመት ሽልማት ‘ኮሜዲ ዋይልድ ላይፍ ፎቶግራፊ 2021' ኣብ መወዳእታ ብርኪ ዝበፅሑ ተወዳደርቲ ዘቕረብዎም ስእልታት ድማ፡ እንስሳት ኣብ ናይ ዳእላ ህሞት እንከለዉ ዘርእዩን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝወሰድዎምን’ዮም። ሽልማት ‘ኮሜዲ ዋይልድ ላይፍ ፎቶግራፊ’፡ በቶም ሞያውያን ሰኣልትን ተጣበቕቲ ስነ-ከባብን ብፖል ጆይንሰን-ሂክስን ቶም ሱላምን’ዩ ተመስሪቱ። እዚ ውድድር ባህታ ካብ ምፍጣር ብዝዘለለ፡ ብዛዕባ ዕቃበ እንስሳት በረኻ፡ ብእወንታውን ማራኽን መገዲ መልእኽቲ ንምሕላፍ ዝዓለመ’ዩ። ተዓወትቲ ናይዚ ውድድር ኣብቲ ዝመፅእ ዘሎ 22 ጥቅምቲ፡ ኣብ መድረኽ ሽልማት ‘ኮሜዲ ዋይልድ ላይፍ ፎቶግራፊ 2021' ክግለጹ እዮም። ክሳብ ሽዑ፡ ፍሽኽ ከብልኹም ዝኽእሉን ናብ ናይ መወዳእታ ብርኪ ውድድር ካብ ዝበፅሑን ገሊኦም እነሆ። · መንፈስ ሰኑይ ንጉሆ (Monday morning mood)፡ ብኣንድሪው ማየስ ኣብ ራይትቭለ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተስኣለ · ንሳዕስዕ (Let's dance): ብኤንዲ ፓርኪንሰን ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ሩስያ ኣብ ሓውሲ ደሴት ካምቻትካ ዝተስኣለ · ኡስ! ርእሰይ ሓሚመ’የ፡ ይሃስይ’ዩ (Shush! I'm so hungover)፡ ብኣኒታ ሮዝ ኣብ ሳን በርናርዲኖ ካሊፎርኒያ ዝተስኣለ · ጨና እግሪ (Foot jam)፡ ብብሩክ በርሊንግ፡ ኣብ ዊስኮንሲን ኣሜሪካ ዝተስኣለ · ግዘ ንትምህርቲ (Time for school)፡ ብቺዊ ክ ቲዮ፡ ኣብ ሲንጋፖር ዝተስኣለ · መን ዝለዓለ ከምዝዘለለ ረአይ (See who jumps high)፡ ብቹ ሃን ሊን ኣብ ታይዋን ዝተስኣለ ዝብሉን ካልኦትን ይርከብዎም።","category":"ውሕስነት እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58440235"} {"headline":"ከብቲ ኣብ ዓይኒ ምድሪ ክሸና ዘኽእለን ስልጠና ወሲደን","content":"ተመራመርቲ ጀርመን፡ ከብቲ ኣብ ዓይኒ ምድሪ ንኽሸና ዘኽእለን ስልጠና ሂቦመን። ዕላማ ናይቶም ተመራመርቲ መጠን ልቀት ጋዝ ንምንካይ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።","category":"ውሕስነት እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58607443"} {"headline":"ልዕሊ 2 ሽሕ ኪ\/ሜ ዝተጉዓዘት መንካዕ ብድሙ ተነኺሳ ሞይታ","content":"ካብ ለንደን ናብ ሩስያ 2,018 ኪሎ ሜትሮ ብምጉዓዝ፡ ዝነውሐ ርሕቐት ዝነፈረት መንካዕ ንሰባት ኣገሪማ። ኣብ መወዳእታ፡ እታ መንካዕ ብድሙ ምስተነኽሰት ከምዝሞተት ተገሊጹ። እታ ኣነስተይቲ መንካዕ፡ መጠና ክንዲ ዓባይ ኣጻብዕቲ ኢድ ወድ ሰብ እትኸውን ኮይና፡ ኣብ ሩስያ ፒስኮቭ ኣብ ዝተብሃለት ግዝኣት እያ ተረኺባ። ‘ለንደን መካነ እንስሳት’ ዝብል ምልክት ዘለዋ እዛ መንካዕ፡ ሓደ ጉጅለ ዕቀባ እንስሳት ካብታ ድሙ ከናግፋ’ኳ እንተፈተነ፡ ብህይወት ክትቅኒ ኣይከኣለትን። እታ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ንኣህጉር ኣውሮፓ ኣቋሪጻ፡ ኣብ ሩስያ ዝበጽሐት መንካዕ፡ ዝረሓቐ ጉዕዞ ዝነፈረት ተባሂላ ተመዝጊባ። እታ ዒፍ፡ 8 ግራም እትምዘን ኮይና፡ ሞልጊና ኣብ ዝተብሃለት ንእሽቶ ቁሸት ሓደ ሩስያዊ ነባሪ ምስረኸባ ንዕቀባ እንስሳት ሩስያ ኣረኪብዋ ተባሂሉ። እቲ ትካል ድማ፡ ነቲ ዝመጸኣትሉ መካነ-እንስሳት እንግሊዝ ሓቢሮምሉ። ናይቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ ኣገልግሎት ዕቀባ መንካዕ ሓላፊ ሓላፊት ሊዛ ዎርልግ፡ “እዚ ኣዝዩ ዘስደምም ጉዕዞ እዩ። ኣብ ዓዲ እንግሎዝ ከምዚ ዓይነት ርሕቐት ዝተጉዓዘት መንካዕ የላን፤ እዚኣ ቅልጥፍቲ ጎያዪት እያ” ኢላታ። “እዚ ድማ፡ ንሳይንሳዊ መጽናዕቲ ካልእ በሪ ዝኸፍት እዩ፤ ብዛዕባ ነቲ ሕንቅሕንቅሊተይ ዝኾነ ምፍላስ መንካዕ ድማ ኣዝዩ ጠቓሚ ኣፋፍኖት ዝህብ እዩ። ምኽንያቱ ፍልሰትን ምንቅስቓስን መንካዓት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኮነ ኣብ መላእ ኣህጉር ኣውሮጳ ሚስጢራዊ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ” ክትብል ኣብሪሃ። ብርያን ብሪጅስ ዝተብሃለ ዒፍ መንካዕ ዝምዝግብ ተመራማሪ፡ ኣብ 2016 ኣብ ለንደን ምስረኸባ መዝጊቡ ኣብ መንፈራ ምልክት ገይሩላ። ብሪግስ፡ “እዚ ኣዝዩ ዘስድምም ነገር እዩ፤ ነዘን ከምዚ ዓይነት ዝተፈለየ ፍጥረት ዘለዎን እንስሳት ኣብ ምዕቃብ ኣዝዩ ዕዙዝ ዝኾነ ኣስተዋጸኦ ዝገብር ተርእዮ እዩ፤ ብዛዕባ ህይወተን’ውን ንምፍላጥ ጠቓሚ እዩ” ኢሉ። ቅድሚ ሕዚ ካብ ተመሳሰሊ ዓሌት እንስሳ ዝኾነት፡ ላትቪያ ናብ ስፐይን፡ 2,224 ኪሎሜትሮ ብምጉዓዝ ዝነውሐ ርሕቐት ብምንፋር ትፍለጥ። ፍልሰት ናይዘን ፍልይ ዝበለ ጽጥረት ዘለዎን ዓሌት እንስሳት፡ ምስ ምልውዋጥ ኩነታት ኣየር ዝተኣሳሰር ከምዝኾነ ተመራመርቲ ይዛረቡ። እቲ ለውጢ ኩነታት ኣየር፡ ኣብ መጻኢ ንሃለዋተን ኣዝዩ ክጸልዎ ከምዝኽእል ኣሚቶም። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ነዘን እንሳሳት ንምዕቃብ ኣብ 2014 መካነ-እንሳሰት ዘተጣየሰ ኾይኑ፡ ኣብ ምርባሕ፣ ዝርገሐን ፍልሰትን ዘጽንዕ ፕሮጀክት እዩ። ኣብ ኬንት፣ ኖርዝ ኣምበርላንድ፣ ሱሪን ግሬተር ላነደንን ብብዝሒ እዘን ዓሌት እንስሳት ከምዝርከባ ይዝረብ።","category":"ውሕስነት እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58136132"} {"headline":"ስኮትላንድ፡ ልዕሊ ሓደ ኩንታል ጉሓፍ ኣብ ከብዱ ዝተረኸቦ ዓሳ ነባሪ","content":"እዚ ኣብ ስኮትላንድ ወሽመጥ ሃይሪስ ሞይቱ ዝተረኸበ ዓሳ ነባሪ ልዕሊ ሓደ ኩንታል ጉሓፍ ኣብ ከብዱ ከም ዝጸንሐ ተገሊጹ። ሰኪዐት መግፈፊ ዓሳ፡ ገመድ፡ ጎማታት መዐሸጊ መግቢ ቦርሳን ብፕላስቲክ ስተሰርሐ መስተዩ ማይን ገለ ካብቲ ኣብ ከብዲ እዚ ዓሳ ዝጸንሐ ጉሓፍ እዩ። ተመራምቲ፡ እቲ ኣብ ከብዲ እቲ ዓሳ ነባሪ ዝጸንሐ ጉሓፍ ጠንቒ ሞት እቲ ዓሳ ምኻኑ ኣብ ምጽራይ ከም ዘለዉ ብምግለጽ፡ ብከላ ማያዊ ኣካል ጠንቒ ሞት ብዙሓት እንስሳታት ባሕሪ ይኸውን ምህላዉ ጠቒሶም። ዳን ፓሪ ተቐማጢ ሉስከንታየር ኮይኑ ኩነታት እዚ ዓሳ ነባሪ ምስ ረኣየ \"ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ፡ እዚ ኹሉ ብሰብ ዝተደርበየ ጉሓፍ ካብ ከብዲ እዚ ዓሳ ነባሪ ክወጽእ ምስ ረኣኻ ንፈጥሮ ዘለና ዕንወት ክሳብ ክንደይ ኣባዳሚ ምዃኑ ይበርሃልካ\" ኢሉ። \"ኣብዚ ገማግም ብቐጻሊ እየ ዝንቐሳቐስ፡ መትሓዚ ዝኾነኒ ፕላስቲክ ሒዘ ኸኣ ሰባት ዝደርበይዎ እቲ ዝበዝሐ ምስ መግፈፊ ዓሳ ዝተሓሓዝ ጉሓፍ ኣርየ ይእርንቦ\" ይብል። ዳን ፓሪ ብምስዓብ \"እዚ ኹሉ ብቐሊሉ ክውገድ ዝኽእል እዩ ነይሩ፡ ብሓፈሻ ግን ኣብ ማያዊ ኣካል ዝስዕብ ዘሎ ብከላ ነዚ ካብ ከብዲ እዚ ዓሳ ነባሪ ዝወጽአ ጉሓፍ ብምርኣይ ክንርዳእ ንኽእል ኢና\" ይብል። እዚ ኣብ ከብዲ እቲ ዝሞተ ዓሳ ነባሪ ዝተረኸበ ልዕሊ ሓደ ኩንታል ጉሓፍ፡ ካብ ናይ ባሕርን መሬትን ኢንዱስትሪ ዝተደርበየ ጉሓፍ ምኻኑ'ዮም ዕቓበ ባሕሪ ስኮትላንድ ዝሕብሩ። ኣብ ስኮትላንድ መጠን ሞት ዓሳ ነባርን ዶልፊንን ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናዛየደ ይኸይድ ከም ዘሎ ኸኣ ይሕበር። ኣብ 2009 ሞት ኣስታት 204 ዶልፊን ክምዝገብ እንከሎ፡ ኣብ 2018 ግን ናብ 930 ክብ ኢሉ ብምህላዎ ንብዙሓት ኣብ ሃብቲ ባሕሪ ዝግደሱ ስኮትላዳውያን ሻቕሎት ፈጢርሎም ይርከብ።","category":"ውሕስነት እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50626652"} {"headline":"ፈረንሳ፡ ምቕታል ተባዕትዮ ጨቓዊት ክትክልክል እያ","content":"ፈረንሳ፡ ኣብ 2021፡ ኣብ ኣተሓሕዛ እንስሳት እተካይዶ ዘላ ለውጢ ብምቕጻል፡ ኣብ ትካላት መፍረ ደርሁ ዝግበር ተባዕትዮ ጨቓዊት ንኸይቅተሉ ክትክልክል ምዃና ገሊጻ። ኣብ ዓለም፡ ዓመታዊ፡ ኣስታት ሸውዓተ ቢልዮን ንእንቋቖሖ ወይ ስጋ ዘይድለዩ ተባዕትዮ ጨቓዊት ይቕተሉ። ጾታ እቶም ጨቓዊት ገና ኣብ እንቋቖሖ እናሃለዉ ክፍለጥ ዘኽእል መገዲ ክተኣታቶ ምዃኑ መንግስቲ ይገልጽ። ፈረንሳ ኣብ ኣተሓሕዛ እንስሳት ለውጢ ክትገብር ምዃና ዝገለጸ ሚኒስተር ሕርሻ እታ ሃገር ዲድየር ጉላሜ \" ካብ መወዳእታ 2021 ጀሚሩ፡ ከምቲ ዝነበሮ ዝቕጽል ነገር የለን\" ክብል ገሊጹ። ጉላሜ፡ ዛጊት ጨቓዊት ቅድሚ ምጭጨሖም ጾተኦም ዘለሊ ቴክኖሎጂ ከምዘየለ ብምግላጽ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ግን ሓዲሽ ምዕባለ ክርከብ ተስፋ ከምዘለዎ ሓቢሩ። እቲ ሕጊ ተግባራዊ እንተኾይኑ፡ ፈረንሳ ምቕታል ደቂ ተባዕትዮ ጨቓዊት ካብ ዝኸልከላ ቀዳሞት ሃገራት ክትከውን እያ። ጀርመንን ፈረንሳይ ምቕታል ተባዕትዮ ጨቓዊት ደው ዝብለሉ መገዲ ንኸናድያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓቢረን ክሰርሓ ተሰማሚዐን እየን። ኣብ ጀርመን ዝርከብ ቤት ፍርዲ ግን ካልእ ኣማራጺ ክሳብ ዝርከብ፡ ንግዘዝይኡ ምቕታል እቶም ጨቓውት ክቕጽል ወሲኑ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ኣብ መወዳእታ 2021፡ ናእሽቱ ሓሰማ ብዘይ መደንዘዚ ፍረ ነብሶም ምቕጥቃጥ ክክልከል ምዃኑ ሚኒስተር ሕርሻ ፈረንሳ ገሊጹ። ተባዕትዮ ጨቓዊት፡ ከም ኣንስትዮ ቀልጢፎም ስለዘይ ዓብዩን ንስጋ ስለዘይምረጹን፡ ኣብ ምርባሕ ደርሁ ተደለይቲ ኣይኮኑን። እቶም ተባዕትዮ ጨቕዊት ምስተፈለዩ፡ ተዓፊኖም ወይ ተጣሒኖም ከምዝሞቱ እዩ ክግበር ጸኒሑ። ስዊዘርላንድ ግን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ተባዕትዮ ጨቓዊት ተጣሒኖም ከም ዝሞቱ ዝግበር ከይዲ ከልኪላቶ እያ።","category":"ውሕስነት እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51306178"} {"headline":"ብሽንቲ፡ ምርመራ ምልኦ ከብቲ ዝሕበር መሳርሒ ዝመሃዘ፡ ዶክተር ሲሳይ","content":"ሓጋዚ ፕሮፌሰር ዶክተር ሲሳይ ወልደገብርኤል ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብተመራማርነትን መምህርነትን ይሰርሕ። ንዝሓለፉ 13 ዓመታት ፍልጠቱ፣ ዓቕሙን ክእለቱን ብምጥቃም ዝተፈላለዩ ምህዞታት ናብ ረብሓ ኣውዒሉ። ዩኒቨርሲቲ መቐለ ንተመራመርቲ ዝስልዖ ዓመታዊ ባጀት ጽቡቕ ተሞክሮ ንኸጥርዩ ከም ዝሓገዞም ዶክተር ሲሳይ ይገልጽ። ካብ ምፍራይ ጸረ-ባልዕ ኬሚካላት ዝጀመረ ውጽኢት ምርምሩ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ሓሙሽተ ዓይነታት ምህዞታት በጺሑ ይርከብ። \"ንመጀመርታ ግዜ ዝተመራመርኩሉን ውጽኢት ዝረኸብኩሉን ንባልዓት ዘጥፍእ ኬሚካል ክኸውን ከሎ፡ ካልኣይ ምህዞይ ከኣ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ሳዕሪ ወይ እኽሊ ክቦቁል ዘኽእል ፈሳሲ መሰሰኒ ምህርቲ (ማዳበርያ) ናብ ኣገልግሎት ኣብቂዐ\" ክብል ይገልጽ። እቲ ብሳልሳይ ደረጃ ዝረኸቦ ውጽኢት ምርምሩ ኣብ እንስሳት ዘቤት ዝፍጠሩ ባልዓት [ቁርዲድ፣ ቁንጪን ካልኦትን] ዘጥፍእን ንነዊሕ እዋን ከይለግብወን ዝከላኸልን መድሓኒት'ዩ። ኣብ ቀረባ እዋን ከኣ ክልተ ዓብዪ ረብሓ ዘለዎምን ቅድሚኡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘይተሰርሑን ውጽኢታት ጻዕሩ ናብ ኣገልግሎት ክውዕሉ ገይሩ'ሎ። እቲ ሓደ ምህዝኡ ጥዕና ጸባ ጠለ በጊዕን ከብትን ብምምርማር፡ ጸባ ኣብ ልዕሊ ዝጥቀም ሰብ ሕማማት ከይመሓላለፉ ምቁጽጻር ዘኽእል ከም ዝኾነ ዶክተር ሲሳይ ይዛረብ። \"ጸባ ብዝተፈላለየ ሕማማት ይጥቃዕ'ዩ፤ እቲ ጸባ ገና ኣብ ጎሎ [እታ ላሕሚ] እንከሎ'ዩ ብሕማም ዝጥቃዕ። ስለዚ ነቲ ጎሎ ብምምርማር ኣብቲ ጸባ ዝርከቡ ንጥዕና ሰባት ጠንቂ ዝኾኑ ባዕዲ ነገራት ዘነጽር መሳርሒ እዩ\" ክብል የረድእ። ኣብዚ ዓመት ዝሰርሖ ሓምሻይ ምህዝኡ፡ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ምሉእ ኣፍሪቃ'ውን ዘይነበረ ምዃኑ ይገልጽ። \"እዚ ምህዞ፡ ኣላሕም ወይ ጠለበጊዕ ልክዕ ከም ደቂሰብ ማለት ደቂኣንስትዮ ብሽንቲ ምርመራ ጥንሲ [ምልኦ] ዝግበረሉ እዩ። ካብ 20 መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ ዝወልዳ ኣብ ዘሎ እዋን ካብ ሽንተን እናተወሰደ ምርመራ ይካየደሉ\" ክብል የረድእ። ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዉ ጸገማት ንምፍታሕ ናብ ምርምርን ምህዞን ከድህብ ከም ዝኸኣለ ዝዛረብ ዶክተር ሲሳይ፡ ሓረስቶት ንውጽኢታት ምርምሩ ክጥቀሙ ምርኣይ ከም ዘሕጉሶ ይገልጽ። \"ቅድሚ ሎሚ፡ ገባራት፡ ጸባ ምስተሓለበ ጻዕዳ ብምዃኑ ጥራይ ጥዑይ መሲልዎም ናብ ዕዳጋ የቕርብዎ ወይ ኣብ ገዝኦም ይጥቀምዎ። በዚ ምኽንያት ከኣ ኣብ ጥዕና ሰባት ጸገም ይስዕብ\" ይብል። ነዚ ንምታሕ ከኣ ኩነታት ጥዕና ጎሎ ናይታ ላሕሚ ምምርማር ኣገዳሲ ብምዃኑ፡ ነቲ መሳርሒ ንምምሃዝ ተበጊሱ። \"እቲ ጎሎኣ ብባክተርያ፣ ፈንገስ ወይ ቫይረስ ክጥቃዕ ይኽእል'ዩ። ስለዚ መጀመርታ እቲ ምልክት ዘየርእይ ናይ ጎሎ ሕማም ክምርመር ኣለዎ። እቲ ምህዞይ ከኣ ነዚ ምልክት ዘይብሉ ሕማም መመርመሪ ዝኸውን'ዩ\" ይብል። ቅድሚ ሕዚ 'ካሊፎርንያ ማሳቹሴትስ' ዝበሃል ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ዝህብ ናይ ኣሜሪካ ምህርቲ ኣብ ኢትዮጵያ ነይሩ'ዩ። ዶክተር ሲሳይ ከም ዝበሎ፡ እቲ ምህርቲ ካብ ዕዳጋ ካብ ዝጠፍእ ዓመታት ኣቑጺሩ'ሎ። \"ዋግኡ'ውን ንሓንቲ ሌትሮ ክሳብ ኣርባዕተ ሽሕ ቅርሺ ይበጽህ ነይሩ። ሕዚ ዝመሃዝናዮ ግን እቲ ገባር ብንኢሽተይ መጠን ብዝነኣሰ ዋጋ ክረኽቦ ዝኽእል'ዩ። ንሓምሳ ኣላሕም ከመርምር ዝኽእል ሓደ ሚኢቲ ብር ብዘይመልእ ኢና ንሸጦ\" ክብል ብንጽጽር ይገልጽ። ቅድሚ ሕዚ ኣላሕም ወይ ጠለበጊዕ ምልኦ (ጥንሲ) ምሓዘንን ዘይምሓዘንን ብመርፍእ ወይ ብተለምዶኣዊ መገዲ ምርመራ ይካየድ ነይሩ። ብፍላይ እቲ ገባር ጥሪቱ መላእ ድያ ኣይኮነትን ንምፍላጥ ይጽገም ምንባሩ ዝገልጽ ዶክተር ሲሳይ፡ \"ናይ ግድን ሓገዝ በዓል ሞያ ሕክምና እንስሳ ክረኽቡ ኣለዎም\" ይብል። በዓል ሞያ ሕክምና እንስሳ ኣብ ገጠራት ብቐረባ ምርካብ ከኣ ኣጸጋሚ'ዩ። እቲ በዓል ሞያ'ውን እንተኾነ ኢዱ ናብ ውሽጢ ብምእታው'ዩ ነቲ ምርመራ ዝገብር። ነዚ ክገብር ከሎ ከኣ ነቲ ኣብ ማህጸን ዘሎ ክሳብ ክልተ ወርሒ ዝኾኖ ድቂ ምትንካፉ ስለዘይተርፍ ጉድኣት ከብጽሓሉ ከም ዝኽእል የረድእ። \"እዚ ሕዚ ምሂዝናዮ ዘለና ንግዘን ወጻእታትን ገባራት ብዝለዓለ መጠን ክንክይ ዝኽእል'ዩ። ብቐሊሉ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ናይታ ላሕሚ ሽንቲ ናብታ ንሕና ንህቦም ንኢሽተይ ብልቃጥ ብምእታው ብሕብሪ ጥራይ ነቲ ውጽኢት ክፈልጡ ይኽእሉ\" ክብል የብርህ። ነዚ ዝገብሩ በዓልቶም እቶም ገባራት ኮይኖም፡ እቲ ምልኦ (ጥንሲ) ክንደይ ኣዋርሕ ከም ዝኾኖ ክፈልጡሉ ዝኽእሉ ምህዞ'ዩ። ዶክተር ሲሳይ ኩሎም ምህዞታቱ ካብ ቤት ጽሕፈት ኣእምሮኣዊ ንብረት ኢትዮጵያ ከምኡ'ውን ካብ በዓል መዚ ጽርየትን ቁጽጽርን ወረቐት ምስክር ዋንነት ረኺቡሎም'ዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ ናብ ዕዳጋ ብምውዓሎም ሓረስቶት ክጥቀሙሎም ጀሚሮም ኣለዉ። ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኢትዮጵያ ዝበጽሑ ውጽኢታት ምርምራቱ ብሓረስቶት ተቐባልነት ምርካቦም ይገልጽ። \"ብፍላይ እቲ ኣብ መጀመርታ ዝረኸብክዎ ጸረ-ባልዕ መድሓኒት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብጣዕሚ ተፈሊጡን ጠለብ ረኺቡን። እቶም ሓደሽቲ'ውን እናተፈለጡ ትእዛዛት ንቕበል ኣለና\" ይብል። ሓረስቶት ኣብ ኣጠቓቕማ እኹል ግንዛበ ንኽህልዎም ድማ ንሱን ካልኦት መሳርሕቱን ብስለኪ እናረኸቡ እኹል ሓበሬታ ይህብዎም። እዞም ምህርትታት ብፍላይ ከኣ መመርመሪ ጥዕና ጸባን ብሽንቲ ዝግበር ምርመራ ምምላእ (ጥንሲ) ኣላሕም ናብ ዕዳጋ ካልኦት ሃገራት ሃገራት ኣፍሪቃ ንምቕራብ ትልሚ ኣለዎ። ዶክተር ሲሳይ፡ ስራሕቱ ከስፍሕን ምህርትታቱ ናብ ሓረስቶት ብዝሓሰረን ብብዝሑን ንምቕራብ'ኳ ድልየት እንተሃለዎ፡ ብሰንኪ ሓደ ጸገም ነዚ ምግባር ከምዘይክኣለ ይዛረብ። \"ኣብዚ ሕዚ እዋን ኩሉ ስራሕተይ ኣብ መንበሪ ገዛይ እየ ዝሰርሖ፤ ስድራይን ካልኦት ሰባትን ኣብ እንነብረሉ መረባ [ካንሸሎ] ምርምር የካይድ ኣለኹ። ኬሚከላት ዝፈርየሉ ትካል ካብ መንበሪ ገዛ ክርሕቕ ከምዘለዎ ዝፍለጥ'ዩ\" ይብል። እዚ ጸገሙ ንኽፍታሕ ናብ ምምሕዳር መቐለ ዘቕረቦ መስርሒ ቦታ ናይ ምርካብ ሕቶ ጽቡቕ ተስፋ ከምዝረኸበሉ ገሊጹልና።","category":"ውሕስነት እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/50385181"} {"headline":"ጠለብ ብዙሓት ይኸውን ዘሎ ፀባ ግመል","content":"ላውረን፡ ብሪስቤን ኪውካሜል ዝበሃል ናይ ግመል ፀባ ዘዋህድ ፋብሪካ ኣለዋ። ኣብ ኣውስትራልያ ፍቓድ ዝተውሃቦ ብሕታዊ መወሃሃዲ እዩ። ጠለብ ዕዳጋ ፀባ ግመል ኣውስትራልያ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናዓምበረ እዩ መፅዩ። ኣብታ ሃገር ጥራሕ ኣይኮነን ብብርኪ ዓለም እውን፡ ጠለብ ፀባ ግመል ይውስኽ ኣሎ። ላውረንን ስድርኣን፡ ኣትረፍቲ ስለዝኾኑ ጥራሕ ኣይኮኑን ኣብ ንግዲ ፀባ ግመል ተዋፊሮም፤ እቲ ስራሕ ስለ ዝፈትውዎ'ውን ደኣ'ምበር። ኣግማሎም ካብ ስድርኦም ፈልዮም ከም ዘይርእይዎም ድማ ትዛረብ። \"ከም ሰብ ፍሉይ ባህሪ እዩ ዘለዎም፤ ኣብ ጥቕኦም ኮይንኪ ብዛዕባ ዝኾነ ጉዳይ እንተውጊዕኺ ይርድኡኺ እዮም\" ትብል። ብዙሓት ሓረስቶት ኣውስትራልያ፡ ልዕሊ ካልኦት እንስሳት ንግመል እዮም ዝመርፁ። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 1840 ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ኣግማል፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዝሒ ኣግማል ኣውስትራልያ 1.2 ሚልየን በፂሑ ኣሎ። ኣብ ኣውስራሊያ ኣብ 2014 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ፈላማይ መወሃሃዲ ፀባ ተኸፊቱ፤ ሕዚ ግና ንግዲ ፀባ ግመል ኣብታ ሃገር ኣዝዩ ልሙድ እዩ። ሃገራት ምብራቕን ሰሜንንን ኣፍሪቃን ከምኡ'ውን ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ፡ ኣብ ዓለም ፀባ ግመል ብምፍራይ ኣብ ቅድሚት ይስርዓ። መንግስቲ ኣውስትራልያ'ውን ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ንግዲ ፀባ ግመል ክብ ከምዘብል ይግለፅ። ኣብ 2016 ኣብታ ሃገር ይፈርይ ዝነበረ 50,000 ሊትሮ ፀባ ናብ 180,000 ሊትሮ ዓብዩ እዩ። መወሃሃዲ ፀባ ግመል ካብ ሞንጎ ዘለዎም ኣውስትራላውያን ሜጋን ዊልያምስን ስድርኣን ይፀርሑ። ኣብ 2014 ብሰለስተ ኣግማል ዝጀመርዎ ንግዲ ሕዚ ወንንቲ 300 ኣግማል ክኾኑ ኣኽኢልዎም እዩ። ኣብ መዓልቲ፡ ካብ ሓደ ግመል ሽድሽተ ሊትሮ ፀባ ብምሕላብ፡ ናብ ሃገራት ሲንጋፖር፣ ታይላንድን ማሌዥያን ይልእኹ፤ ንመፃኢ ድማ ንግዶም ናብ ሃገራት ቻይናን ኣሜሪካን ናይ ምስፋሕ ትልሚ ኣለዎም። ሜጋን፡ \"ግመላት ኣውስትራልያ ጥዑያት ብምዃኖም፡ ንግዲ ፀባ ንክዓብይ ሓጋዚ እዩ\" ትብል ። ይኹን'ምበር ብተደጋጋሚ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝረአይ ናይ ግመል ሕማም፡ ንንግዲ ፀባ ግመል ብድሆ ኮይኑ እዩ። ወድሰብ ፀባ ግመል ምስታይ ካብ ዝጅምር ልዕሊ 6000 ዓመታት ከምዘቑፀረን፡ ዋላ እኳ ዋጋ ፀባ ግመል ክቡር እንተኾነ ፡ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ግና ጠለብ ፀባ ግመል ወሲኹ እዩ። ፀባ ግመል ኣዝዩ ጠቓሚ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ምግላፁ ስዒቡ፡ ብዙሓት ንክጠልብዎ ምኽንያት ኮይኑ እዩ። ቫይታሚን ሲ፣ቢ፣ ኣይረን፣ ካልሽየም፣ማግኒዥየምን ፖታሽየምን ዝኣመሰሉ ንጥረ ነገራት ዝሓዘ እዩ። ካብ ኣውስትራልያ ናብ ሲንጋፖር ፀባ ግመል ሰደድ ትገብር ረቤካ ፎርውድ ብወገና፡ \"ኣዝዮም ጠቐምቲ ካብ ሞንጎ ዝኾኑ ምግብታት ሓደ\" ከም ዝኾነ ትገልፅ። በዓልቲ ሞያ ስነ-ምግቢ ቻርሊን ግሮስ፡ ኣብ ፀባ ግመል ዝርከቡ ንጥረ ነገራት ኣዝዮም ጠቐምቲ ከም ዝኾኑ ክተረድእ እንከላ፡ \"ትሑት መጠን ኮሌስትሮልን ሽኮርን ስለዘለዎ ንናይ ላሕሚ ፀባ ክትክእ ይኽእል እዩ። ብርግፅ ብዛዕባ ኣብ ናይ ፀባ ግመል ዝርከቡ ንጥረ ነገራት፡ ብመፅናዕቲ ዝተደገፉ ኣይኮኑን\" ትብል። ፀባ ግመል ቺዝ ከምኡ'ውን ናይ ቆርበት ቅብኣታት ንምስራሕ'ውን ኣብ ዕዳጋ ይውዕል ኣሎ።","category":"ውሕስነት እንስሳታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48956023"} {"headline":"ኣሰር ዝጠፍኡ ኣናብር ዘለሊ ቴክኖሎጂ ይምዕብል'ሎ","content":"ቆርበት ነብሪ ኣብ ዕዳጋ ተጠላቢ ስለ ዝኾነ ብዘይሕጋውያን ነጋዶ ከም ዝህደኑ ዝፍለጥ'ዩ። እቶም ኣዘዋወርቲ ነጋዶ ናበይ ከምዝወስድዎም ዘለሊ ቴክኖሎጂ ይምዕብል ከምዘሎ ተፈሊጡ'ሎ።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cn3x324k5ndo"} {"headline":"ካብ ኢትዮጵያ እናተሰረቑ ብማሕበራዊ ሚድያ ናብ ዕዳጋ ዝቐርቡ ነብሪ ጎልጎል","content":"ነብሪ ጎልጎል [‘ቺታ’] ብቐንዱ ካብ ኢትዮጵያ፣ ሶማሊላንድን ካልኦት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃን ተዓፊኖም እናተወሰዱ ኣብ ሃገራት ዓረብ ከም ናይ ገዛ ወይ ፍትው እንስሳ ኮይኖም ብስፍሓት ይሽየጡ ኣለዉ። ካብ ኢትዮጵያ ብሶማሊላንድ ኣቢሎም ናብ የመን ምስኣተዉ ነቶም ንሃብታማት እተን ኣብ ወሽመጥ ባሕሪ ዘለዋ ሃገራት ብኣሽሓት ዶላራት ይሽየጡ ምህላዎም ይዝረብ። ቶማስ ሞሌ ሓደ ካብቶም ንጉዳይ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ሃገራት ዓረብ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝሰጋገሩ እንስሳት ዘገዳም ዝከታተሉ ሰብሞያ እዩ። “ዋላ’ኳ ነብሪ ጎልጎል ሓደ ካብቶም ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደጋ ዝወደቑ ዓይነታት ድሙ በረኻ እንተኾነ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ነዚ ዝምልክት ግንዛበ ግን ዝተሓተ እዩ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። መብዛሕቲኦም ነብሪ ጎልጎል [‘ቺታ’] ካብ ኢትዮጵያ ተዓፊኖም ከምዝውሰዱ ዝሕብር እቲ በዓል ሞያ፤ ብሶማሊላንድ ኣቢሎም ናብ የመን ከምዝኣትዉ የረድእ። ንሱ ‘ቶሪድ ኣናሊቲክስ’ ንዝተባሃለ ትካል ዝሰርሕ ኮይኑ፤ እቲ ትካል ድማ ‘ናሽናል ጂኦግራፊክ’ ብዝብል ምስ ዝፍለጥ ናይ እንስሳት መደባት ዘቕርብ ጣቢያ ቴሌቪዥን ሓቢሩ ይሰርሕ። ብዛዕባ እቶም ኣብ ሓደጋ ዝወደቑ ነብሪ ጎልጎል ኣፍሪቃ ድማ ሓበሬታ ይህብ። እዞም ትካላት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓደ ዘይሕጋዊ ንግዲ እንስሳት ዘገዳም ዘካይድ ውልቀሰብ ኽተሓዝን ክቕጻዕን ገይሮም’ዮም። በቢወርሑ ብውሑድ ኣርባዕተ ውላድ ነብሪ ጎልጎል (ዕዋል) ሕጋዊ ብዘይኮነ መገዲ ካብ ሃገር ክወጽኡ ከምዝተሓዙ በዓል መዚ ሓለዋ እንስሳ ዘገዳም ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣፍሊጡ ነይሩ። ነብሪ ጎልጎል ብስፍሓት ኣበይ ይርከቡ? ቶማስ ሞሌ ከምዝብሎ ኣብዚ እዋን ኣብ ዓለም ኣስታት 7 ሽሕ ነብሪ ጎልጎል ኣብ ጣሻታት ዝርከቡ ኮይኖም እዚ ብዝሖም ግን ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናነከየ ይመጽእ ኣሎ። እዞም እንስሳት ዘገዳም ዝበዝሕ እዋን ደረቕን ብክሊማዊ ለውጢ ዝተሃሰየን ቦታ ስለዝመርጹ ኩነታት ናብርኦም ከቢድ ከምዝኸውን እቲ በዓል ሞያ የረድእ። “ንኣብነት ሴሬንጌቲን ማሳይ ማራን ኣብ ዝበሃሉ ከባብታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ልዕሊ 3 ሽሕ ኣናብስ ኣለዉ። ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ነብሪ ጎልጎል ግን ብዝሖም ካብ 300 ኣይዛይድን” ይብል። ካብቶም ኣብዚ እዋን ኣብ ጫካታት ዝርከቡ ነብሪ ጎልጎል እቶም ዝበዝሑ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምኡ ድማ ኣብ ምብራቕን ደቡባዊውን ኣፍሪቃ ከምዝርከቡ መረዳእታታት የመልክቱ። በቲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር እቶም እንስሳት ብዝያዳ ዝተሃሰያ ግን ኢትዮጵያ ሶማሊላንድን ከምዝኾና ቶማስ ይዛረብ። “እቶም ኣሰጋገርቲ ንሓረስቶት ክረኽቡ ከለዉ ‘ኣብ መገድኹም ድሙ በረኻ እንተረኺብኩም ሒዝኩም ሃቡና ክንዕድገኩም ኢና’ ይብልዎም። ካብኣቶም ተቐቢሎም ከኣ ይሸጥዎም” ክብል የረድእ። እቶም ዕዋል [ውላድ] ነብሪ ጎልጎል ተኣኪቦም ናብ የመን ምስበጽሑ ድማ ናብ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ዓረብ ኢማራትስ፣ ባህሬን፣ ኦማንን ካልኦት ሃገራት ዓረብን ይሽየጡ። ኣብ ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ዋጋ ሓደ ዕዋል ካብ 250 ክሳብ 500 ዶላር ክበጽሕ ይኽእል። ናብ ኣዕራብ ሃገራት ክውሰዱ ከለዉ ግን ዋግኦም ካብ 6 ክሳብ 8 ሽሕ ዩሮ [ከባቢ 430 ሽሕ ብር ኢትዮጵያ] ይበጽሕ። ኢትዮጵያ እንታይ ትሰርሕ ኣላ? መብዛህቲኦም ነብሪ ጎልጎል ካብ ከባቢታት ኦሮሚያ፣ ዓፋርን ሶማሊያን ከምዝኾኑ እቲ በዓል ሞያ ይዛረብ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ዘይሕጋዊ ዝውውር ደው ንምባል ብኢጋድ ኣቢሉ ጻዕሪታት እንተገበረ’ውን ኣብ ኣፈጻጽምኡ ግን ክፍተት ከምዘሎ ቶማስ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ኢትዮጵያ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ እንስሳት ዘገዳም ጽኑዕ ሕጊ ከምዘለዋ ብምዝኽኻር ኣብ ኣፈጻጽማ ግን ኬንያ ዝሓሸ ተሞክሮ ከምዘለዋ ይገልጽ። ንሱ ከምዝብሎ፤ መብዛሕቲኦም እቶም ናብ ኣዕራብ ሃገራት ዝውሰዱ ነብሪ ጎልጎል ዝርከቦም ‘ድሙ ጫካ’ [ዋይልድ ካትስ’] ብዝብል ዝፍለጡ ዓሌት ብማሕበራዊ መራኸቢ ኣቢሎም’ዮም ዝሽየጡ። ብዘይካ ነብሪ ጎልጎል ከም ነብርን ኣንበሳን ዝበሉ እንስሳት እውን ካብ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን እናተወሰዱ ናብ ኣዕራብ ሃገራት ብኣሽሓት ዶላራት ከምዝሽየጡ ዘረጋግጹ መረዳእታታት ኣለዉ። ኬንያን ሶማሊላንድን ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ ኣብዚ ዘይሕጋዊ ዝውውር ዝሳተፉ ሰባት ኣብ ቀይዲ የውዕላን ይቐጽዓን ምህላወን፤ ነቲ ዘይሕጋዊ ንግዲ እንስሳት ዘገዳም ንምቁጽጻር ተስፋ ዝህብ ምዃኑ እቲ በዓል ሞያ ኣብሪሁ።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58992037"} {"headline":"ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ብኣዛብእ ዝበፅሕ ሓደጋ ንነበርቲ ስግኣት ኮይኑ ተባሂሉ","content":"ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ብዝብኢ ሓደጋ ዘጋጥሞም ሰባት ቁጽሮም ይውስኽ ምህላዉ ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም። ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ 30ታት ዕድመ ዝርከብ ሰብኣይ፡ ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ኣብ እትርከብ ለገጣፎ ለገ ዳዲ ዝተብሃለት ከተማ፡ ብዝብኢ ከምዝተቐተለ ነበርትን ፖሊስን ሓቢሮም። በዓል መዚ ልምዓትን ዕቃበን እንስሳ ዘገዳም ኢትዮጵያ ከምዝበሎ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሸሞንተ ሰባት ብኣዛብእ ተቐቲሎም ኣለዉ። ኣብ ከባቢ ከተማታት ዝካየድ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ህንጸት ኣባይቲ፣ ምውሳኽ ብዝሒ ህዝቢን ምቕያር ባህርያት እንስሳ ዘገዳምን ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ቀንዲ ምኽንያታት ምዃኖም ሰብሞያ ይገልጹ። ኣብታ ካብ ኣዲስ ኣበባ 17 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ለገጣፎ ለገ ዳዲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዘጋጠመ ፍጻመ፡ ንነበርቲ ናብ ከቢድ ድንጋፀ ዘእተወ ነይሩ። ሰንበት 01 ታሕሳስ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ፡ ካንትሪ ክለብ ዲቨሎፐርስ (CCD) ኣብ ዝብሃል ሓበራዊ መንበሪ፡ ሓላዊ ናይ ሓደ ገዛ ዝኾነ ውልቀሰብ ብዝብኢ ከምዝተበልዐ ነበርትን ፖሊስ እታ ከተማን ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም። ኣብቲ ‘ሲሲዲ’ ብዝብል ዝፍለጥ ሓበራዊ መንበሪ እትነብር ሰበይቲ፡ “ኣብቲ ቀጽሪ [ብዙሓት ገዛውቲ ዘለዎ ሓበራዊ መንበሪ]፡ ኣዛብእ ማዕረ ደቂ ሰባት እዮም ዝንቀሳቐሱ። ምሸት ድሕሪ ሰዓት 12 ኣብ ኩሉ ቦታ ይርአዩ” ትብል። እቲ ብዝብኢ ተበሊዑ ዝሞተ ውልቀሰብ ነባሪ እታ ከተማ ምዃኑ ዘረጋገፀ ሓላፊ ክፍሊ ፖሊስ እታ ከተማ ኮማንደር ኣለማየሁ፡ ናይ ሓለዋ ስራሑ ወዲኡ እናኸደ እንከሎ ከም ዝተበልዐ ኣረዲኡ። ኣብዚ ጉዳይ፡ ርእይቶ ናይቲ ሲሲዲ ዝተብሃለ ትካል ህንፀት ሓበራዊ መንበሪ፡ ንምሕዋስ ዝተበርናዮ ጻዕሪ ኣይሰመረን። ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሰራሕተኛ ናይቲ ትካል ግን \"ኣኽላባት ክነብሑ ከለዉ፡ ነበርቲ ብምውፃእ ባትሪ (ላምባሲና) ወሊዖም ካብቲ ዝብኢ ከግድፍዎ’ኳ እንተኽኣሉ ህይወቱ ምድሓን ግን ኣይተኻእለን\" ኢሉ። ኣደ ቆልዑ ከምዝኾነት እትገልጽ ነባሪት እቲ ሓባራዊ መንበሪ፡ ኣብቲ ከባቢ ብዝብኢ ናይ ምብላዕ ሓደጋ ከምዝወሰኸ ትገልጽ። “እቶም ኣዛብእ ብዙሓት ብምዃኖም ዘፍርሕ እዩ። ኣብዚ ከባቢ ዘለዉ ዋርዲያታት 'ካብዚ ቦታ ኣይትሕለፉ' ኢሎም ዝግድብዎም ቦታታት ኣለዉ\" ትብል። እቲ ስሙ ክግለፅ ዘይደለየ ሰራሕተኛ ካንትሪ ክለብ ዲቨሎፐርስ (CCD) ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ነበርቲ እቲ መንደር ብሰንኪ ስግኣት ሓደጋ ዝብኢ ሓገዝ ክግበረሎም ምስሓተቱ፡ ክኢላታት ክልል ኦሮምያን ፌደራልን ከምኡ ድማ ፖሊስ ምምሕዳር እታ ከተማ፡ ነቶም ኣዛብእ ክሃድኑ ከምዝጸንሑ ተዛሪቡ። ኣብ በዓል መዚ ልምዓትን ሓለዋን እንስሳ ዘገዳም ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ምትሕብባር ማሕበረሰብ ኣይተ ባንኪ ቡዳሞ፡ ነቲ ኩነታት ንምፅራይ ናብቲ ከባቢ ዝተላእከ ጉጅለ ክኢላታት ብዙሓት ኣዛብእ ከምዘለዉ ምሕባሩ ይገልፅ። \"ብዝሒ ናይቶም ኣዛብእ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትን ህይወትን ነበርቲ እቲ ከባቢ ከቢድ ሓደጋ ይፈጥር ከምዘሎ ጸብጺቦም\" ይብል። በዚ መሰረት ቁፅሪ ኣዛብእ ንምንካይን ካብቲ ከባቢ ሃዲሞም ክወፅኡ ንምግባርን ፃዕሪታት ተጀሚሩ ከምዘሎ ብምሕባር እዚ ዕውት እንተዘይኮይኑ ድማ ካልእ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ተዛሪቡ። ንመዓልታት ኣብ ዝጸንሐ ሃድን 7 ኣዛብእ ከምዝተቐትሉ’ውን እቲ በዓል ስልጣን ገሊጹ። እንተኾነ እቲ ሃድን ድሕሪ ሳልሳይ መዓልቲ ከምዘይተዓወተ ሰራሕተኛ ሲሲዲ ንቢቢሲ ሓቢሩ። “ድሕሪ ሳልስቲ እቶም ኣዛብእ ስለዝተሓብኡ ክርከቡ ኣይከኣሉን” ኢሉ። ነበርቲ’ውን እቲ ሃድን ምስተቛረጸ ኣብቲ ከባቢ ኣዛብእ ክረኣዩ ከምዝጀመሩ ይዛረቡ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቶም ዘይተዛዘሙ ገዛውትን ህንፃታትን ዝነብሩ ዕስለ ኣዛብእ ከምዘለዉ እዩ ዝግለፅ። ኣይተ ባንኪ ቡዳሞ፡ \"መንበሪ ሰባትን ኣዛብእን ኣብ ዝፈላለየሉ ኩነታት ንምፍጣር ዳግማይ እንሪኦ ጉዳይ ክኸውን እዩ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። እቶም ኣዛብእ ንምንታይ ናብቲ ሰባት ዝነብሩሉ ከባቢ ይመጹ ከምዘለዉ ተሓቲቱ ከብርህ ከሎ “መንበሪ ናይቶም ኣዛብእ ምስ ናይ ደቂ ሰባት ይተሓዋወስ ኣሎ። ጫካ የለን ይበርስ ኣሎ። ተረፍ መግቢ ኣብ ግራውቲ ስለ ዝድርበ ድማ ኣዛብእ ናብቲ ሰባት ዝነብሩሉ ይመጹ ኣለዉ” ክብል ኣረዲኡ።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cnkl99785jpo"} {"headline":"መሰል ኮራዅር ኣኽላባት ዝገሃሰ ትካል ተዓጽዩ","content":"ኣብ ኣሜሪካ እጸ ፋርስ ጥዒሞም ከለልዩ ተባሂሉ ዝራብሑ ዝነበሩ ኮራዅር ኣኽላባት ብወናኒ እቲ ትካል ግቡእ ክንክን ስለዘይተገበረሎም ብሕጊ ተዓጽዩ። እቶም 4ሽሕ ኮራዅር ድማ ናብ ካልእ ገባሪ ሰናይ ትካል ተዘዋዊሮም።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cev58vwyy8zo"} {"headline":"‘ዓው ኢሉ እናነቀወ ረቡሹኒ’ ኢሉ ንኩኩናይ ብጥይት ዝቐተለ ፈረንሳዊ 5 ኣዋርሕ ክእሰር ተፈሪዱ","content":"ኣብ ፈረንሳ ሓደ ውልቀ ሰብ “ዓው ኢሉ እናነቀወ ረቡሹኒ” ብዝብል ምኽንያት ንሓደ ኩኩናይ [ዓንዳፍ] ብጥይት ቶኲሱ ብምቅታሉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ክእሰር ተፈሪዱ። እቲ ‘ፈጻሚ ገበን’ ፈረንሳዊ ነቲ ማርሴል ዝብሃል ደርሆ ኣብ ዘይሰዓቱ እናነቀወ ረቢሹኒ ብምባል ኣብ ወርሒ ግንቦት እዩ ቀቲልዎ። ዋና ማርሴል ዝኾነ ሴባስቲያን ቨርኒ ‘ፍትሒ ንደርሆይ፡ ፍትሒ ንማርሴል’ ብምባል ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ቀታሊ ደርህኡ ኣብ ፍርዲ ክቐርብ ክጉስጉስ ጸኒሑ’ዩ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊ 100 ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ‘ፍትሒ ንማርሴል’ ዝብል ጎስጓስ ተጸንቢሮም ክታሞም ኣንቢሮም ኣለዉ። እቲ ንማርሰሌ ዝቐተለ ውልቀ ሰብ ኣብ ልዕሊ ናይ ጎሮቤቱ እንስሳ ግፍዓዊ ቅትለት ፈጺሙ ዝብል ክሲ ቀሪብሉ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ። ቤት ፍርዲ ኣብ ዝውዓሎ መጋባእያ፡ ተኸሳሲ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ሓሙሽተ ወርሒ ማእሰርቲ 300 ዩሮ ክቅጻዕ’ውን ተበይንዎ ኣሎ። እቲ ተኸሳሲ፡ ካብ ማእሰርቲ ምስ ወጽእ’ውን ንሰለስተ ዓመታት ዝኾነ ዓይነት ብረት ከይሕዝ እቲ ቤት ፍርዲ ኣጊድዎ ኣሎ። ዋና እቲ ዝተቐተለ ደርሆ ዝኾነ ሴባስትያን “ቀታሊ ደርሆይ ክንዲ ዝተፈረደ ይፈረድ ነቲ ብግፍዒ ዝሞተ ዝፈትዎ ደርሆይ ብህይወት ዝመልስ ኣይኮነን” ክብል ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ገሊጹ። ንሱን ስድርኡን ብሞት ማርሴል ኣብ ከቢድ ሓዝን ከምዘለዉ’ውን ሰባስትያን ገሊጹ። ኣብ ፈረንሳ ምስ ደርሆ ዝተኣሳሰሩ ዜናታት ብተደጋጋሚ ይስርሑ እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ሰባት ተኣኪቦም ኣብ ጎሮቤት ዝርከብ ደርሆ 'ወጋሕታ እናነቐወ ድቃስ ከሊኡና' ኢሎም ናብ ቤት ፍርዲ ከይዶም ምኽሳሶም ዝዝከር እዩ። ቤት ፍርዲ ብወገኑ ንኽሶም ብምስማዕ “መሰል ናቋ ደርሆ ይከበር” ብምባል እቲ ደርሆ መሰሉን ብህሪኡን ምኳኑ ብምጥቃስ ነቲ ክሶም ውድቂ ገይርዎ።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55226992"} {"headline":"ብመጥባሕቲ ዝተገላገለት ህበይ ዳግማይ ምስ ውላዳ ተራኺባ","content":"እታ ኣብ ካንሳስ ኣሜሪካ ኣብ መካነ እንስሳት እትነብር ህበይ ብክልተ ሓካይም ተሓጊዛ ብመጥባሕቲ እያ ወሊዳ። እቲ ሕንጣይ ህበይ ናይ ኦክስጅን ሕጽረት ገጢምዎ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ወዲቓ’ኳ እንተነበረት ሕጂ ግን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘለዉ ሓለፍቲ እቲ መካነ እንስሳት ኣፍሊጦም።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2dplnrx8no"} {"headline":"እንስሳ፡ ወርቂ መዳልያ ዝተሸለመ ኣፍሪቃዊ ኣንጭዋ ኣብ ሻምናይ ዓመቱ ሞይቱ","content":"ብጅግንነቱ ናይ ወርቂ ሜዳሊያ ዝተሸለመ ማጋዋ ዝተባህለ ኣንጭዋ ኣብ ሻምናይ ዓመቱ ዓሪፉ። እቲ ኣንጭዋ፡ ኣብ ካምቦድያ፡ ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ናይ ስራሕ ዕድመኡ ኣስታት 100 ዝተቐብሩ ፈንጂታት ካልእ ነተጕትን ብምሽታት ንክወጽእ ተሓባቢሩ። እቲ ብቤልጅማዊ ገባሪ ሰናይ ሰልጢኑ፡ ነተጕቲ ብምሽታት ንደቂ ሰብ ካብ ሓደጋ ዘድሓነ ማግዋ፡ ካብቶም ደቂ ሰባት ዘሰልጠኖም ዕውታት እንስሳታት እዩ። እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል፡ እቲ ግዙፍ ኣፍሪቃዊ ኣንጭዋ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ብሰላም ከምዝዓረፈ ሓቢሩ። ማጋዋ፡ ቅድሚ ሰሙን ምስ ምሉእ ኩነታት ጥዕናኡ ከምቲ ልሙድ ብውዕዉዕ ስምዒት ከምዘሕለፎን እንተኾነ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ሸውሃቱ ተዓጽዩ ክታኸስን ከምዝጀመረ ገሊጹ። ኣብ ታንዛንያ ዝዓበየ ማጋዋ ናብ ካምቦድያ ቅድሚ ምኻዱ ኣብ ቤልጂየም ንሓደ ዓመት ስልጠና ወሲዱ ኣብ ካምቦድያ ነታጕ ኣብ ምሽታት ተዋፊሩ ብዙሕ ህይወት ኣድሒኑ። ኣብ ሃገራት ደቡብ ምብራቕ ኤስያ፡ ክሳብ ሽድሽተ ሚልዮን ዝኸውን ነታጕ ኣብ ትሕቲ መሬት ተቐቢሩ ከም ዘሎ’ዩ ዝእመነሉ ። ማጋዋ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ነተጕቲ ንዝርከብ ኬሚካላዊ ባእታ ንከለሊ እዩ ሰልጢኑ። እቲ ኣንጭዋ ልዕሊ 141,000 ትርብዒት ሜትር ስፍሓት መሬት ኣጽርዩ። እቲ ስፍሓት ከኣ ማዕረ 20 ናይ ኩዕሶ እግሪ ስታድዩም እዩ ። እቲ ኣንጭዋ ክብደቱ 1.2 ኪሎግራም ክኸውን ከሎ፡ ቁመቱ ከኣ 70 ሴንቲ ሜትር እዩ ነይሩ ። ማጋዋ ካብ ካልኦት ዓሌታት ኣናጹ ኣዝዩ ዝገዘፈ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ነታጒ እውን እንተተጓዕዘ ነቲ ፈንጂ ክትኩሶ ኣይኽእልን። ማጋዋ ኣብ ውሽጢ 20 ደቓይቕ ክንዲ ናይ ቴንስ ባይታ ዝኸውን ስፍሓት መሬት ናይ ምድህሳስ ክእለት ነይሩዎ። እቲ ኣፖፖ ዝተባህለ ገባሪ ሰናይ ግና፡ እቲ ማጋዋ ኣብ ደቓይቕ ዝገብሮ ስራሕ ንሓደ መመርመሪ ነታጕ ሒዙ ዝሰርሕ መሃንዲስ ካብ ሰዓት ክሳብ ኣርባዕተ መዓልቲ ከም ዝወስደሉ ይገልጽ ። ኣብ 2020 ማጋዋ ብዘርኣዮ ህይወት ናይ ምድሓን ተወፋይነት ወርቂ ሜዳልያ ተሸሊሙ። እቲ ግብረ ሰናይ ኣብ 77 ዓመት ታሪኽ ንፈለማ ግዜ እዩ ንኣንጭዋ መዳልያ ሂቡ። እቲ ኣንጭዋ እናደኸመ ስለዝኸደ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ’ዩ ጡረታ ወጺኡ። እቲ ኣፖፖ እተባህለ ግብረ-ሰናይ “ማጋዋ ንኹላትና እዩ ሞይቱና። ነቲ ዘደንቕ ዕዮኡ ከኣ ነመስግኖ\" ኢሉ ። ማግዋ በቲ ዘደንቕ \"ናይ ምሽታት ክእለቱ\" ንብዙሓት ማሕበረሰብ ካምቦድያ ብህይወት ክነብሩ ፡ ክሰርሑ ፡ ክጻወቱ ፡ ንቡር ህይወት ክመርሑን መሓውር ንከይስእኑ ሓጊዙዎም እዩ ኢሎም። ኣፖፖ ካብ 1990 ኣትሒዙ ንሄሮራላት ዝብሃሉ እንስሳታት የሰልጥን ምንባሩ ይፍለጥ።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59962361"} {"headline":"ጠፊኦም ዝነበሩ ሰባት ምስ ሓደ ከልቦም ተረኺቦም","content":"ኣብ ኣሜሪካ ካብ ኒውጀርሲ ናብ ፍሎሪዳ ብሓንቲ ንእሽቶ ጃልባ ዝጉዓዙ ዝነበሩ ክልተ ሰብኡት ምስ ከልቦም ጠፊኦም ድሕሪ ምቕናይ ድሕሪ 10 መዓልቲ ተረኺቦም።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cg3gex807gjo"} {"headline":"ኣብ ህንዲ ሓደ ደርሆ ንዋንኡ ቀቲልዎ","content":"ኣብ ደቡባዊ ህንዲ፡ ሓደ ውልቀ ሰብ ብገዛእ ደርሆኡ ከምዝተቐተለ ተገሊጹ። ኣብ'ቲ ከባቢ ዘይሕጋዊ ቅልስ ደርሁ (ዋናታቶም ንደርሁቶም የቃልስዎም) ከምዝግበር ዝግለጽ ኮይኑ፡ እቶም ዝቃለሱ ደርሁ ኣብ ጽፍሮም በሊሕ ነገር ይእሰረሎም እዩ። እቲ ደርሆ ክሃድም ክብል ንዋንኡ ኣብ ከባቢ ረቃቒትኡ ስለዝሓረዶ፡ ዋና ደርሆ ተጸይሩ ናብ ሆስፒታል በጺሑ ብርቱዕ ደም ስለዝፈሰሶ ግን ክድሕን ኣይከኣለን። እዚ ክስተት ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ኣብ'ታ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ናይ ህንዲ ትርከብ ዞባ ቴሌንጋና ኣብ እትርከብ ላቱኖር ትብሃል ዓዲ እዩ ኣጋጢሙ። ፖሊስ ብወገኑ፡ ኣብ'ቲ ዘይሕጋዊ ቅልስ ደርሁ ተሳቲፎም ንዝበሎም 15 ሰባት ይደልዮም ከምዘለዎ ገሊጹ ኣሎ። ፖሊስ እቲ ዞባ፡ እቲ ደርሆ ናብ'ቲ ቅልስ ናይ ደርሁ ክሳተፍ እናተዳለወ እንከሎ ካብ ዋንኡ ከምዝሃደመ ገሊጾም። ዋና ናይ'ቲ ደርሆ ነቲ ዝሃድም ዝነበረ ደርሆኡ ክሕዞ ኣብ ዝፈተነሉ፡ እቲ ደርሆ በቲ ኣብ እግሩ ተኣሲሩ ዝነበረ በሊሕ ነገር ገይሩ ኣብ ረቃቒትኡ 7 ሴንት ሜትር ዑምቀት ዘለዎ ማሕረድቲ ከምዘስዓበሉ ተሓቢሩ። እቶም ኣብ'ቲ ቅልስ ናይ ደርሁ ዝተሳተፉ ውልቀሰባት ብቅትለት ሰብን ዘይሕጋዊ ጠላዕን ክኽሰሱ ምዃኖም ኤኤፍፒ ገሊጹ ኣሎ። ላዕለዋይ ፖሊስ እቲ ዞባ፡ ቢ ጀቫን ብወገኑ እቲ ደርሆ ንመርትዖ ምስ'ቲ ኣብ እግሩ ዝተገጠሞ ስሕለት ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ምዃኑ ምሕባሩ ኒው ኢንድያን ኤክስፕረስ ዝተባሃለት ማዕከን ዜና ገሊጻ ኣላ። ህንዲ ካብ 1960 ጀሚሩ ቅልስ ደርሁ ዘይሕጋዊ እኳ እንተተገበረቶ፡ ኣብ ገጠራት ህንዲ ግን ገና ኣይተቋረጸን ዘሎ። ዋናታት እቶም ደርሁ፡ ነቶም ደርሁቶም ኣቃሊሶም ገንዘብ ከምዝረኽቡ እዩ ዝግለጽ። ሰብ ብደርሆ ክቕተል እዚ ናይ መጀመርታ ተርእዮ ኣይኮነን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ኣብ ኣንዳህራ ፕራዲሽ ሓደ ውልቀ ሰብ በቲ ኣብ እግሪ ደርሆ ተገጢሙ ዝነበረ ስሕለት ኣብ ክሳዱ ተሃሪሙ ምሟቱ ዝዝከር እዩ።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56228429"} {"headline":"ኣብ ኡጋንዳ 6 ኣናብስ ‘ተቐቲሎም’ ተረኺቦም","content":"ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ሓደ ፍሉጥ ሃገራዊ ሕዛእቲ፡ ሽድሽተ ኣናብስ ሞይቶም ተረኺቦም። እቲ ቕትለት ብመርዚ ዝተፈጸመ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝጥርጠር። እቶም ኣብ ሃገራዊ ሕዛእቲ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ሞይቶም ዝተረኸቡ ኣናብስ፡ ኢዶምን ርእሶምን ተቖራሪጹ፡ ኣካላቶም ተራሕሪሑ ከምዝተረኽበ ሰብ መዚ ተዛሪቦም። ትካል እንስሳ ዘገዳም ኡጋንዳ፡ “ጠንቂ እቲ ክስተት፡ ዘይሕጋዊ ሃደን እንስሳት ዘገዳም ዘይኮነሉ ምኽንያት የለን” ኢሉ። ሕዚ ሞት ናይቶም ኣናብስ ንምጽራይ፡ ምስ ተሓለቕቲ ተፈጥሮ ኾይኖም ይሰርሑ ከምዘዉ ድማ ተሓቢሩ። እዞም ሞይቶም ዝተረኸቡ ኣናብስ፡ ዓበይቲ ኣግራብ ብምድያብ እዮም ዝፍለጡ ነይሮም። ርክብ ህዝቢ ትካል እንስሳት ዘገዳም ኡጋንዳ፡ በሺር ሓንጂ፤ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ በቲ ቅትለት ኣዝዩ ከምዝሓዘነ ገሊጹ። ቱሪዝም ተፈጥሮ፡ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ዓብዪ ጽልዋ ዘለዎን ኣስታት 10 ሚኢታዊት ከምዝሽፍንን ተዛሪቡ። ምዕቃብ እንስሳ ዘገዳም ኣዝዩ ኣገዳሲ መደብ ከምዝኾነ እዩ ዝገልጽ። “ትካልና ቅትለት እቶም እንስሳት ዘገዳም ኣዝዩ እዩ ዝኹንኖ። ምኽንያቱ ንቱሪዝም ረብሓ ስለዝጎድእ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣታዊን ማሕበራዊ ስራሕትን’ውን ኣዝዩ ብኣሉታ ዝጸልው ፍጻመ ብምዃኑ እዩ” ይብል እቲ ሓላፊ። ቅድም ክብል፡ ኣብ'ዚ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዝበሃል ሃገራዊ ሕዛእቲ፡ ብመርዚ ኣናብስ ምቕታል ተደጋጊሙ ዘጋጠመ ፍጻመ ከምዝኾነ እዩ ዝዝረብ። ኣብ 2018፡ ዓሰርተ ሓደ ኣናብስ ተመሪዞም ምሟቶም ዝዝከር እዩ። ኣብ 2010 እውን፡ ካልኦት ሓሙሽተ ኣናብስ ብተመሳሳሊ መገዲ ሞይቶም ተረኺቦም ነይሮም።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56475544"} {"headline":"30 ሽሕ ዓመታት ዝገበረ ኣስክሬን ዓሌት ሓርማዝ ተረኺቡ","content":"ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ካናዳ፡ ኣሽሓት ዓመታት ዝገበረ ዘይፈረሰ ኣስክሬን ውላድ ጨጓር ዓሌት ሓርማዝ ተረኺቡ፡ እዚ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ናይ መጀመርታ ርኽበት ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ። እዚ ኣብ እዋን ዘመነ-በረድ ከምዝነበረ ዝተኣመነሉ ዓሌት ሓርማዝ፡ ኣብቲ ደሪቑ ዝተረኸበሉ በረድ ልዕሊ 30 ሽሕ ዓመታት ከምዝገበረ ተገሚቱ ኣሎ። እቲ ብሰሉስ ኣብ ካናዳ ዞባ ዩኮን ክሎንዲከ ዝተረኸበ ኣስክሬን ብዓደንቲ ወርቂ’ዩ ተረኺቡ። ሰብ መዚ ዞባ  ዩኮን ክሎንዲከ፡ እቲ ውላድ ጨጓራት ዓሌት ሓርማዝ፡ ምስቲ ኣብ ሩስያ፡ ሳይበርያ ብ2007 ዝተረኸበ ዝደረቐ ኣስክሬን ጨጓር ሓርማዝ ብዙሕ ምምስሳል ከምዘለዎ ገሊጾም። ሰብ መዚ እቲ ዞባ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ “እዚ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝተረኸበ ዝነውሐ ዕድመ ዘለዎ ዝነቐጸ ኣስክሬን’ዩ” ብምባል፡ ካብ ዓለም ብዕድሚኡ ካልኣይ ከምዝስራዕ ገሊጾም። ጾታ ናይቲ ዝተረኸበ ኣስክሬን ናይ ጨጓር ሓርማዝ ኣንስታይ ምዃኑን ኑን ቾ ጋ ዝብል ስም ከምዝተውሃቦ’ውን ተሓቢሩ። ትርጉም ኑን ቾ ጋ ብቋንቋ ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ “ገዚፍ ውላድ እንስሳ” ዝብል እዩ። ብዛዕባ ጥንታውያን ህይወታት እዛ ዓለም ዘጽንዕ ግራንት ዛዙላ “ኑን ቾ ጋ ኣዝያ ጽብቕቲ ኮይና ሓንቲ ካብቶም ኣብ እዋን ዘበነ-በረድ ዝነበሩ እንስሳታት ሬስኦም ብግቡእ ኣብ በረድ ደሪቑ ዝተረኸበ  እንስሳ እያ” ኢሉ። መንግስቲ ዞባ ዩኮን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እታ ኑን ቾ ጋ ዝብል ስያመ ተዋሂብዋ ዘሎ ኣስክሬን፡ ምስቲ ብ2007 ኣብ ሰርብያ ዝተረኸበን  42 ሽሓ ዓመታትን ዕድመ ከምዘለዎ ዝተገለጸን፡  ተመሳሳሊ ዓሌት ሓርማዝ ተመሳሳሊ ሚዛን ከምዘለዎ ገሊጾም። ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ብምሉእ ኣካሉ ብግቡእ ዝተዓቐበን ክንድዚ ዕድመ ዘለዎን እንስሳ ክርከብ እዚ ናይ መጀመርታ እዩ። ብ1948 ኣብ ኣላስካ፡ ዓዳኖ ወርቂ ገለ ክፋል ኣካላት ናይ ሪፉ ዝተሰመየ ውላድ ናይ ጨጓር ሓርማዝ ረኺቦም ምንባሮም መዛግብቲ ይሕብሩ። መደብር ዜና ሲቢሲ፡ ኑን ቾ ጋ፡ ሓደ ዓባይ ማሽነሪ ገይሩ መሬት ዝፍሕር ዝነበረ መራሒ መኪና፡ እናሰርሐ እንከሎ፡ ንላዕለዋይ ሓላፊኡ ብፋርኬታ መኪንኡ ገለ ይትንክፍ ከምዘሎ ምስ ሓበሮ’ያ ክትርከብ ምኽኣላ ኣቃሊሓ።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cgr9np1nlp6o"} {"headline":"ዝተቐበረ ነታጒ ብጨና ዝፈሊ ተሸላሚ መዳልያ ወርቂ ዝኾነ ኣንጭዋ ጥሮታ ወጺኡ","content":"ብጅግንነቱ ዝነኣድን ተሸላሚ ሜዳልያ ወርቂ ዝኾነን ኣብ መሬት ዝተቐበረ ነታጒ ብጨና ዝፈሊ ኣንጭዋ ጥሮታ ወጺኡ። እቲ ኣንጭዋ ኣብ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ናይ ስራሕ እዋኑ፡ ኣብ ካምቦድያ 71 ነታጉትን ካልኦት ተፈንጀርቲ ነገራትን ረኺቡ እዩ። ኣማሓዳሪት ማሌን፡ እቲ ኣፍሪቃዊ ወዲ 7 ዓመት ኣንጭዋ ኣብ ዝለዓለ ዕድሚኡ ስለዝበጽሐ፡ ኣብ ስርሑ’ውን ምዝሕሓላት እናረአየ ብምምጽኡ ድሌቱ ምምላእ ከምዘደሊ ገሊጻ። እዛ ኣብ ደቡብ ምብራቕ ኤስያ እትርከብ ሃገር፡ ክሳብ ሽድሽተ ሚልዮን ዝበጽሕ ነቶግቲ ኣለዋ ተባሂሉ ይግመት። ማጋዋ ብዝብል መጸውዒ ዝፍለጥ እዚ ኣንጭዋ ኣብ ቤልጂም ሕጋዊ ኮይኑ ብዝተመዝገበን ኣብ ታንዛንያ ዝርከብን ኣፓፓ ዝተብሃለ ትካል እዩ ሰልጢኑ። እቶም እንስሳት ናይ ሓደ ዓመት ስልጠና ምስተውሃቦም፡ ናይ ብቕዓት ምስክር ወረቐት ይጸሓፈሎም። ኣፓፓ፡ ካልእ ናይ ኣናእሽቱ ኣናጹ ጉጅለ፡ ኣብ ማእከል ነታጒ ካሞቦድያ ከምዘሰልጠነ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጡ። እቶም ሓደሽቲ ኣናእሽቱ ኣናጹ ነቲ ስራሕ ክሳብ ዝለምዱ ድማ እቲ ጥሮታ ዝወጽእ ኣንጭዋ ንሒደት ሰሙናት ኣብ ስራሕ ክቕኒ ምዃኑ ተፈሊጡ። “ናይ ማጋዋ ብቕዓት ዝብጻሕ ኣይኮነን። ምስኡ ብምስረሐይ ድማ ኩርዓት ይስመዐኒ” ኢላ እታ ኣመሓዳሪት። “ማጋዋ ንእሽቶ እንተኾነ’ኳ፡ ህዝብና ካባና ዝጽበዮ ድሕነት ክስመዖ ኣብ ምግባር ዓቢ ኣስተዋጸኦ ገይሩ” ክትብል’ውን ገሊጻ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም፡ ህይወት ንምድሓን ብዝገበሮ ኣበርክቶ ተሸላሚ ሜዳልያ ወርቂ ኮይኑ’ሎ። ማጋዋ ፡ 77 ዓመት ካብ ዝቑጸረ ገባሪ ሰናይ ትካል፡ ሽልማት ሜዳልያ ወርቂ ዝረኸበ ናይ መጀመርታ ኣንጭዋ እዩ።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57375306"} {"headline":"ኢንዶኔዥያ፡ ክኢላታት ስነ ኳዕቲ ኣብ ዓለም ጥንታዊ ናይ በዓቲ ቅብኣ እንስሳ ረኺቦም","content":"ክኢላታት ስነ ኳዕቲ ኣብ ኢንዶኖዢያ ኣብ ዓለም ጥንታዊ በዓቲ ስእሊ እንስሳ ከም ዝረኸቡ ገሊጾም። እዚ 45 ሽሕን 500ን ዓመታት ዘቑጸሩ ከም ዝኾነ ይእመን። እዚ ውሁድ ቀለማት ጸሊም ቀይሕን ሃሳስ ቢጫን ብምውህሃድ ዝተሰኣለ ቅብኣ፡ ኣካል ምርኢት ቅብኣ ኣብ ኢንዶኔዥያ ስላዌሲ ዝርከብ ሓሰማ'ዩ ተባሂሉ ኣሎ። እቲ ስእሊ ኣብ በዓቲ በሌንግ ቴዶንኝጂ ክርከብ እንከሎ፡ እቲ በዓቲ ድማ ኣብ ደሴት ስላዌሲ ኣብ ውሽጢ ሽንጥሮ'ዩ ዝርከብ። ብተወሳኺ እዚ ስእሊ ኣሰፋፍራ ኣብቲ ኸባቢ ናይ ዘለው ሰባት ዘርኢ ጥንታዊ መረዳእታ ምዃኑ እቲ ኣብ መጽሄት ኣድቫንስድ ሳይንስ ዝወጽኦ ሓበሬታ የረድእ። \"ነዚ ቅብኣ ዝሰርሑ ሰባት ከማና ዘመናውያን'ዮም ነይሮም፤ ቃሕ ዝበሎም ቅብኣ ንምስኣል ዓቕምን ናውትን ነይሩዎም\" ይብል ተሓጋጋዚ ጸሓፊ እዚ ጸብጻብ ማክሲም ኡበርት። ክኢላ ኣቆጻጽራ ዘመን ሓድጊ ዝኾነ ኡበርት እቲ ቅብኣ ዝተስኣለሉ ዘመን ንምፍላጥ ኣብ ርእሲ'ቲ ስእሊ ዝተረኽበ ካልሲት ዝተባህለ መዓድን ብምውሳድ እቲ መዓድን 45 ሽሕን 500 ዓመታት ከም ዘቑጸረ ንምፍላጥ መዓድን 'ዩራኒየም ሲሪስ ኢሶቶፕ' ከም ዝተጠቐሙ ገሊጹ። በዚ ምኽንያት እቲ ቅብኣ ነዊሕ ዕድመ ዘቑጸረ ጥንታዊ ሓድጊ ይገብሮ። ግን ድማ ዘመን እቲ ቅብኣ ንምጽናዕ ኣብ ልዕሊ እቲ ስእሊ ዝተረኽበ መዓድን ጥራሕ ስለ ዝተጠቐሙ፡ ዕድመ እቲ ቅብኣ ካብዚ ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእል እቲ ክኢላ ሓቢሩ። እቲ ቅብኣ፡ 136 ሴንቲ ሜትር ብ54 ሴንቲ ሜትር ኮይኑ፡ ኣብ ገጽ ሓሰማ ቀርኒ ዝመስል ነገር ይርኣይ፤ ካብዚ ብዝብገስ እቲ ቅብኣ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ከም ዝኾነ ተገሊጹ። ብድሕሪት እቲ ሓሰማ ድማ ቅብኣ ገጽ ክልተ ሓለዋ ዝተገብረሎምን ካልኦት ክልተ ኣሰር ኢድን ይርከቡ። ካልእ ተሓጋጋዚ ጸሓፊ እዚ ጸብጻብ ኣዳም ብሩም ብወገኑ፡ \"እቲ ሓሰማ ኣብ ሞንጎ ካልኦት ክልተ ሓሰማታት ዝግበር ባእሲ ወይ ማሕበራዊ ርክብ ዝጥምት ይመስል\" ኢሉ። እቶም ቀባእቲ ኣሰር ኣጻብዕቶም ንምቕማጥ ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ስእሊ ሓሰማ ቅድሚ ምስኣሎም ከም ዘቕመጡዎ እቶም ተመራመርቲ ገሊጾም። ጉጅለ ምርምር እዚ ስነ ኳዕቲ ካብቲ ዝተረኽበ ቅብኣ ቅምሶ ደምን ምራቕን ብምውሳድ ተወሳኺ ምርምር ክገብሩ ተስፋ ኣለዎም። ዕድመ እቲ ቅብኣ ኣብ ዓለምና ጥንታዊ ዘብሎ'ኳ እንተኾነ፡ ጥንታዊ ሰብ ሰራሕ ጥበብ ግን ኣይኮነን ተባሂሉ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተረኸበን 73 ሽሕ ዓመት ዘቑጸረን ምልክት \"ሃሽታግ\" [#] ዘለዎ ኣብ እምኒ ዝተቐረጸ ቅብኣ ናይ ዓለምና እቲ ዝዓበየ ቅብኣ ኢድ ከም ዝኾነ ይዝረብ።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55658131"} {"headline":"ከልቢ ጆ ባይደን፡ ንኻልኣይ ግዜ ሰራሕተኛ ዋይት ሃውስ ነኺሱ","content":"ማጆር ዝተባህለ ናይ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ከልቢ ንኻልኣይ ግዜ ንሰራሕተኛ እቲ ቤተ መንግስቲ ከምዝነኸሰ ተገሊጹ፡፡ እቲ ከልቢ፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ንኻሊእ ሰራሕተኛ ብምንካሱ፡ ኣብ ስልጠና እዩ ጸኒሑ፡፡ እቲ ዝተነኸሰ ሰራሕተኛ፡ ብሓካይም ተራእዩ ናብ ስርሑ ከምዝተመለሰ ወሃቢ ቃል ቀዳማዊት እመቤት ጂል ባይደን ገሊጻ፡፡ ማጆር፡ ካብ ክልተ ኣኽላብ ፕረዚደንት እቲ ብዕድመ ዝነኣሰ ኮይኑ፡ ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ፈላማይ ናይ ህይወት ምድሓን ዝሰልጠነ ከልቢ እዩ፡፡ እቲ ከልቢ ምስቲ ሓድሽ ከባቢ ይለማመድ ከምዘሎ ዝገለጸ ወሃቢ ቃል ሚካኤል ላሮዛ፡ ኣብ እዋን እግሪ ጉዕዞ ንሓደ ሰብ ከምዝነኸሰ ገሊጹ፡፡ ሲኤንኤን ድማ እቲ ዝተነኸሰ ውልቀ ሰብ ሰራሕተኛ ሃገራዊ ፓርክ ከምዝኾነን፡ ሕክምና ንምርካብ ስራሕ ኣቋሪጹ ከምዝነበረን ገሊጹ፡፡ ማጆር ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ንሓደ ሰራሕተኛ ምስ ነኸሰ፡ ምስ ካልእ ቻምፕ ዝተባህለ 13 ዕድሚኡ ከልቢ እቲ ፕረዚደንት፡ ካብቲ ቤተ መንግስቲ ወጺኦም ኣብ ዴላወር ናብ ዝርከብ ምንበሪ ገዛ ጆ ባይደን ተወሲዶም ነይሮም፡፡ ማጆር፡ ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ምስ ብዙሓት ሰባት ይለማመድ ከምዝነበረ ዝገልጸ ፕረዚደንት ባይደን፡ ሃንደበት ዘይፈልጦም ሰባት ብምርኣዩ ንምክልኸል ከምዝፈተነ ንማዕከን ዜና ኤቤሲ ገሊጹ፡፡ \"ኣብቲ ቤተ መንግስቲ 85 ሚእታዊት ሰባት ይፈትዉዎ እዮም፤ ጭርኡ የወዛውዝን ይልሕሶምን እዩ፡፡ እንተኾነ ገለ ሰባት ብነብሶም ከልቢ ከምዝፈርሑ ተረዲአ\" ኢሉ፡፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ንማጆር ኩርኩር ከሎ እዩ ኣብ 2018 ከዕብዮ ካብ ሓደ ገባሪ ሰናይ ማሕበር ወሲድዎ፡፡","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56588886"} {"headline":"ፍትዋት እንስሳታት ገዛ፡ ኣብ ምምዕባል ሓንጎል ደቅና ዘለዎም ግደ","content":"እንስሳ ዘቤት ምምራጽ ኣብቲ ገዛ ብኸመይ ከም ዝሰማምዑ ካብ ምርዳእ እዩ ዝጅምር። ኬሊ ኦክስ እንስሳታት ናብ ሓደ ስድራቤት ክጽንበሩ ከለዉ እንታይ ከም ዘጋጥም - ከምኡ'ውን ኣብ ምዕባለ ህጻናት ዘለዎም ዓሚቝ ጽልዋ ዳህሲሱ’ሎ። ንብዙሓት ሰባት፡ ፍትዋት እንስሳታት ገዛ (‘ፔትስ’) ኣብ ብዙሕ ደረጃታት ህይወት ደገፍ ዝህቡ ኣዝዮም ዝተላመዱ ኣባላት ስድራቤት እዮም። መጻምድቲ ርክቦም ንኸጽንዑ ክሕግዙ፤ ንንኣሽቱ ቆልዑ ከም መጻወቲ ኮይኖም ከዘናግዑን ደቆም ካብ ገዛ ንዝወፅኡ ወለዲ ምሕዝነት ክህቡን ይኽእሉ። ኣብ ኣሜሪካ ዝተኻየደ ሓደ መጽናዕቲ  63 ሚኢታዊት ካብቶም ትሕቲ ሓደ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ዘለዎም ስድራቤታት እንስሳ ዘቤት ከምዝነበሮም የመልክት። ኣብ ኣውስትራልያ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ድማ ኣብ ከባቢ እቲ ህጻናት ትምህርቲ ዝጅምሩሉ እዋን ዋንነት ፍትዋት እንስሳ ዘቤት ብ 10 ሚኢታዊት ከም ዝወሰኸን ኣረጋጊጹ። ብዙሓት ወለዲ ንሓደ እንስሳ ምሕላው ተበግሶ ክወስዱ ከለዉ፡ ህጻናት ብዛዕባ ክንክን፣ ሓላፍነትን ርህራሄን ጠቓሚ ትምህርቲ ክህቦም ከም ዝኽእል ይኣምኑ። \"ብፍላይ ንንኣሽቱ ቆልዑ፡ ናይ ሓደ ሰብ ኣረኣእያ ካብቲ ናቶም ኣረኣእያ ዝተፈልየ ክኸውን ከም ዝኽእል ምፍላጥ ናይ ብሓቂ ኣገዳሲ'ዩ\" ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቱፍትስ - ኣሜሪካ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ዝምድና ሰብን እንስሳን ሜጋን ሙለር። \"እዚ ድማ ምናልባት ካብቲ ምስ ሓው ወይ መዛኑ ዝመሃርዎ ትምህርቲ ዝቐለለ ትምህርቲ'ዩ” ክትብል ወሲኻ ትገልፅ። ንሳ ከምእትብሎ ብዛዕባ ጠቓሚ ጽልዋ ፍትው እንስሳ ገዛ ኣብ ህጻናት ዝቐርብ ሓሳባት ግን ካብቲ ዝግለፅ ንላዕሊ ዝኸይድ እዩ። እቶም እንስሳታት ኣብ ማሕበራዊ ክእለት ህጻናት፣ ኣካላዊ ጥዕና ዋላ’ውን ኣብ ምምዕባል ኣእምሮኣዊ ዕቤት ህጻናት ክጸልዉ ከም ዝኽእሉን ምዕቃቦም ድማ ምስ ዝለዓለ ደረጃ ርህራሄ ዝተኣሳሰር ምዃኑን ትሕብር። ክንክን እንስሳ ዘቤት ምግባር ኦቲዝም ኣብ ዘለዎም ህጻናትን ስድራቤታቶምን ዘሎ ውጥረት (ጸቕጢ) ክንክይ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ደጋፊ ምትእስሳር ንምፍጣር ክሕግዝ ይኽእል። ካልኦት መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ ድማ፡ ህጻናት ካብ እንስሳታት ህሞታዊ ረብሓታት ይረኽቡ እዮም። ኣብ ሓደ ጽምዲ መጽናዕትታት፡ ህጻናት ኣብ ሓደ ናይ ነገራት ምምዳብ ዕማም ውሑድ ጌጋታት ክፍፅሙ ዝተረኣዩ ኮይኖም፡ ኣብቲ ዘለዉሉ ክፍሊ ከልቢ ምስ ዝህሉ ድማ ኣብ ሓደ ናይ ምዝካር ዕማም ውሑድ ምልክታት ጥራሕ ይፅበዩ ነይሮም። ዓበይቲ’ውን ንእንስሳታት ገዛና ከም ኣባላት ስድራቤት ምርኣይ እንተወሓደ  ጥዕናና ከም ዘመሓይሽ  መጽናዕትታት ይሕብሩ። እንስሳታት ገዛ ብሓቂ መሰረት ናይዚ ዅሉ ረብሓታት ድዮም ወይስ ከምኡ ከምዝኾኑ ኢና ንሓስብ?  ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምዕራባዊ ኣውስትራልያ - ፐርዝ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ህዝብን ዓለማዊ ጥዕናን ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ዝኾነት ሄይሊ ክርስቲያን ሓንቲ ካብቶም ኣብዚ ጉዳይ መፅናዕቲ ዘካይዱ ተመራመርቲ እያ። ሄይሊን መሳርሕታን ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሸውዓት ኣብ ዝዕድሚኦም 4000 ህጻናት ካብ ዝገብርዎ መፅናዕቲ ዝተረኽበ መረዳእታ፡ ፍትው እንስሳ ምውናን ምስ መዛኑ ዝፍጠሩ ፀገማት ክንክዩ ከምዝገብርን ንማሕበረሰብ ብወለንተኝነት ናይ ምግልጋል ባህርያት ከም ዘማዕብል የመልክት። ኣብ ካልእ መጽናዕቲ ድማ ኣብ ገዝኦም ከልቢ ኣብ ዘለዎም ስድራ ዝነብሩ ካብ 2 ክሳብ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት፡ ዝያዳ ንጡፋት ከምዝኾኑ፣ ኣብ 'ስክሪን' ዝወሓደ ግዜ ከም ዘሕልፉን ብማእከላይ ገምጋም ዝያዳ ከም ዝድቅሱን ተረጋጊፁ። ብቐጻሊ ምስ ከልቢ ዝተኣሳሰር ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝገብሩ ህጻናት ዝሓሸ ውጽኢት ዕብየት ከም ዘለዎም መፅናዕቲ እቶም ተመራመርቲ የመልክት። እዚ ማለት ግን ኩሉ ስድራቤት ፍትው ናይ ገዛ እንስሳ ክህልዎ ኣለዎ ማለት፤ ወይ ድማ ኩሉ ከልቢ ዘለዎ ቆልዓ ካብቶም ከልቢ ዘይብሎም ዝሓሸ ኩነታት ኣለዎ ማለት ኣይኮነን። ናይ ባህሪ ጉዳያት፣ ዝተሓላለኹ ሕክምናዊ ድሌታትን ንሓደ እንስሳ ምእላይ ዘስዕቦ ፋይናንሳዊ ጾርን ተደማሚሮም ነቲ ምስ ፍትው እንስሳ ዝህልው ህይወት ካብቲ እንፅበዮ ንታሕቲ ክገብርዎ ይኽእሉ እዮም። ንእንስሳ ዘቤት ኣብ ዘይምቹእ መንበሪ ኣባይቲ ዝነብሩ ስድራቤታት ከኣ ተወሳኺ ዕንቅፋታት የጋጥሞም። \"ኩሉ ቆልዓ ዘለዎ ሰብ ከልቢ ክህልዎ ኣብ እንመኽረሉ ደረጃ ንበጽሕ ኣይመስለንን\" ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቱፍትስ - ኣሜሪካ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ዝምድና ሰብን እንስሳን ሜጋን ሙለር። ፍትዋት ናይ ገዛ እንስሳታት ኣብ ህጻናት ዝህልዎም ኣወንታዊ ጽልዋ ክለዓል ከሎ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ናሕሲ ምንባር ጥራይ ዘይኮነስ ኩነታት ርክቦም ምፍላጥ እውን ወሳኒ'ዩ። ምስ እንስሳ እተሕልፎ ግዜ ሓደ ረቛሒ እዩ። ንኣብነት ሓውኻ ወይ ሓፍትኻ ኣብ ክፍሎም ዝለመደ ‘ሃምስተር’ [ኣንጭዋ ዝመስል እንስሳ] እንተሃልይዎም፡ ነቲ እንስሳ ልክዕ ምስቲ ድሕሪ ትምህርቲ መዓልታዊ ሒዝካዮ ክትዘውር ናይ ስድራቤት ከልቢ ዝመጣጠን ምትእስሳር ክህልወካ ዘሎ ተኽእሎ ፀቢብ እዩ። ዕድመ ሓደ ህጻን እውን ምስ ሓደ ፍሉይ እንስሳ ዘለዎም ርክብ ክሳብ ክንደይ ጽኑዕ ከም ዝኸውን ንምፍላጥ ክሕግዝ ይኽእል እዩ። ካብ ሽዱሽተ ክሳብ 10 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት፡ ካብቶም ብኣፈጣጥርኦም ኣዝዮም ርሑቓት ዝኾኑ ከም ኣዕዋፍን ዓሳን ዝበሉ እንስሳት ምስቶም ከም ድሙን ኣኽላባትን ዝኣመሰሉ ምስ ደቂ ሰባት ዝያዳ ዝላመዱ እንስሳታት ዝሓየለ ምትእስሳር የማዕብሉ። ኣብ ኣውስትራልያ ንነዊሕ እዋን ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ሓፍቲ ወይ ሓው ዘይብሎም ህጻናት ካብ ፍትዋት ናይ ገዛ እንስሳታት ክርብሑ ከም ዝኽእሉ የመልክት። እዚ ዝኸውን ድማ ምናልባት ሓደ ሓደ ግዜ ከም ተካኢ ሓው\/ሓፍቲ ኮይኖም ስለ ዝነጥፉ ክኸውን ይኽእል። እንስሳታት ገዛ ኣብ ውሽጢ ስድራቤታት ንዝህሉ ማሕበራዊ ርክባት ኣብ ምጥንኻር ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም። ኣብ መዕበይቲ ስድራቤታት፡ እንስሳ ዘቤት ኣብ መንጎ መዕበይትን ህጻናትን ጥቡቕ ዝምድና ንምምችቻእ ክሕግዙ ከም ዝኽእሉ መጽናዕትታት ይሕብሩ። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተኻየደ ሓደ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ ድማ፡ ኣብ ገዝኦም እንስሳ  ዝነበሮም ህጻናት፡ ብዛዕባ ኣእምሮ እንስሳታት ዝለዓለ ደረጃ እምነት ከም ዘለዎም፡ ማለት እንስሳታት ናይ ገዛእ ርእሶም ሓሳባትን ስምዒታትን ከም ዘለዎም ዝሓስቡ ምዃኖም ኣረጋጊጹ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ምስ ናይ ገዛ እንስሳ ጥቡቕ ርክብ ዘለዎ ቆልዓ ምስ ተፈጥሮ ኣዝዩ ስጡም ምትእስሳር ክህልዎ ይኽእል እዩ። ኣኽላባት ኣብ ጎኒ ደቂ ሰባት ክነብሩ ዝኽእሉን ኣዝዩ ድልዱል ምትእስሳር ናይ ምፍጣር ዓቕሚ ዘለዎምን ምዃኖም ይፍለጥ። ብኣንጻሩ ድሙ ብልቦም ኣብ ብሕትውና ዝነብሩ ፍጥረታት እዮም። ከምኡ ኮይኖም ግን ነቶም ምስኦም ዘለዉ ሰባት ከም ስድራ ዝቘጽርዎም ይመስሉ። \"ድሙታትና ጭራአን ኣልዒለን ኣብ እግርና ብምሕኻኽ ሰላም ይብላና - እዚ ድማ ልክዕ ከምቲ ምስ ካልእ ኣጸቢቐን ዝፈልጣኦ ወይ ከም ኣባል ስድራቤት ዝቖጽርኦ ድሙ ክረኽባ ከለዋ ዝገብርኦ እዩ” ክብል ብራድሾው ኣብታ ‘ዘ ኣኒማልስ ኣሞንግ ኣስ’ እትብል መጽሓፉ ጽሒፉ’ሎ። እዚ ናይ ምዝማድ ተኽእሎ ምስ ህጻናት ይትርጎም ድዩ ኣይትርጎምን? ዝብል ግን ኣብቲ ናይቲ እንስሳ ብእስነቱ ዘሕለፎ ተመኩሮታት እዩ ዝምርኮስ። እዚ ክኸውን ድማ ክልቲኦም ድሙን ኣኽላባትን ሓጺር መስኮት ዕድመ ኣለዎም። ንኮራኹር ኣኽላባት ካብ ከባቢ ሸሞንተ ክሳብ 16 ሰሙን ኣብ ዘሎ ዕድሚኦም ብዛዕባ ኣብ ህይወቶም ከጋጥሞዎም ዝኽእሉ ዓይነታት ሰባት ይፈልጡ። \"ኮራኹር ወይ ነኣሽቱ ደማሙ ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ ዕድሚኦም ወይ ከከምቲ መሰረታዊ ባህርያቶም ምስ ቆልዑ ብኣጋ ክላለዩ እንተዘይኪኢሎም ምሉእ ብምሉእ ኣሉታዊ ምልክታት ከርእዩ ከም ዝኽእሉ ዝፍለጥ እዩ\" ይብል ብራድሾው። ኣብ ውሽጢ ገዛና እነዕብዮም እንስሳታትና ባህርያት እንስሳት ክላበሱ ዘይምግባር- ማለት፡ ከም ደቂ ሰባት ክሓስቡን ክመላለሱን ምጽባይ - ብፍላይ ኣብ ድሕነት ሓደ ህጻን ቆላሕታ ክንገብረሉ ኣገዳሲ እዩ። \"ሓደ ከልቢ ኣብ ዝኾነ ኩነታት ከመይ ምላሽ ከም ዝህብ ፈጺምካ 100 ሚእታዊት ርግጸኛ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ\" ይብል ብራድሾው። ህጻናት ባዕሎም ንናይ ገዛ እንስሳታት ከም ኣብ ህይወቶም ኣገደስቲ ፍጡራት ጌሮም ይሰርዕዎም እዮም። ከም ብጾቶም፣ ከም መጸናንዕን ደገፍቶምን ከምኡ’ውን መመሳጥርቶምን እውን ይርእይዎም።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4n7121egjxo"} {"headline":"ድሮን ተጠቒማ ዝጠፍኡ ኣኽላባት እትደሊ ኤሪካ ሃርት","content":"ኤርካ ሃርት ኣቦኣ ዝዓደገላ ድሮን ተጠቒማ ዝተሰወሩ ኣኽላባት ደልያ ንሰብ ዋናታቶም ተረክቦም። ንሳ ዛጊድ ልዕሊ 200 ዝጠፍኡ ኣኽላባት ናብ ዋናታቶም ከምዘረከበት እያ እትገልጽ። ኤሪካ ካብ ንነዳዲ ዝኸውን ገንዘብ ወጻእ ካብቶም ኣኽላባቶም ዘራኸበቶም ሰባት ገንዘብ ኣይትቕበልን።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59694293"} {"headline":"ቆጸራ ብዝሒ ሓራምዝ ካብ ጠፈር ብሳትላይት ይካየድ ኣሎ","content":"ተመራመርቲ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ክንደይ ዝኣኽሉ ሓራምዝ ከምዘለዉ ንምፍላጥ፡ ፈቖዶ ዱራት ምኻድ ኣይከድልዮምን'ዩ። የግዳስ ብዝሒ እቶም ሓራምዝ ካብ ህዋ ብሳትላይት ምፍላጥ ይከኣል እዩ ብምባል፡ ኣብዚ ይዓሙ ኣለዉ። እዞም ስእልታት ካብ መሬት 600 ኪሎሜትር ርሒቓ ዑደት ካብ ትገብር ዘላ ሳትላይት፡ ዝመፅኡ እዮም። እዚ ካብ ህዋ ብሳትላይት ዝካየድ ዘሎ ምቁጻር ሓራምዝ ንመጀመመርታ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ክሳብ 5 ሽሕ ትርብዒት ኩሎሜተር ዝሽፍን መሬት ክዕዘብ ዝኽእል እዩ ተባሂሉ። ነዚ ቆጸራ ዘካይዱ መሳርሕታት፡ 'ኣየናይ እዩ ሓርማዝ፡ ኣየናይ'ከ ኣይኮነን' ዝብል ንከለልዩ ከኣ፡ ብኮምፒዩተር 'ኣልጎሪዝም' ዝሰልጠኑ እዮም። መምህር ዩኒቨርሲቲ ባዝ ዶክተር ኦልጋ ኢሱፖቫ፡ \"ናህትና ስራሕ ሓንሳብ ነቲ ኣልጎሪዝም፡ እዚ ሓርማዝ እዩ፤ እዚ ድማ ሓርማዝ ኣይኮነን ኢልና ምንጋር ጥራሕ እዩ። እቲ ካልእ ዝተረፈ ስራሕ ግና ናይ ኮምዩተር ስራሕ እዩ። እዚ ብምግባር ድማ፡ ንሕና ብዓይንና ክንርእዮም ዘይንኽእል ደቀቕቲ ነገራት፡ እቲ ኣልጎሪዝም ክርእዮምን ክፈልዮምን ኣኽኢልና\" ኢላ። እዞም ተመራመርቲ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣዶ ኣብ ዝበሃል ሃገራዊ ሕዛእቲ እዮም፡ ፈላማይ ቆፀራ ሓራምዝ ኣካይዶም። እዚ ሕዛእቲ ንፈለማ ግዘ ዝተመረፀ ድማ፡ ብዙሓት ሓራምዝ ስለዝርከብሉ እዩ። እዚ ሕዛእቲ ፅዑቕ ዱር ብምዃኑ፡ ብባህላዊ መገዲ ንምቑፃር ከቢድ እዩ። ቅድሚ ሕዚ፡ ኣብ ውሱናት ቦታታት ንኣሽቱ ነፈርቲ ብምጥቃም መፅናዕቲ ብምክያድ፡ ንጠቕላላ ከባቢ ግምት ዝውሰደሉ መስርሕ እዩ ነይሩ። ሕዚ ግና እዚ ሳትላይት እቲ ኣብ መሬት ኩሉ ብንፁር ከምዝነግሮምን፡ ንዕቃበ እንስሳት ድማ ፅቡቕ ከምዝኾነን፡ እቶም ተመራመርቲ ገሊፆም።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55745553"} {"headline":"ክልል ኦሮሚያ፡ ኣብ ዞባ ቦረና ብዘጋጠመ ደርቂ እንስሳት ዘገዳም’ውን ተጎዲኦም ተባሂሉ","content":"ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተፈላለያ ወረዳታት ዞባ ቦረና ዘጋጠመ ድርቂ ስዒቡ፡ እንስሳት ዘገዳም’ውን ከምዝተጎድኡ ተገሊፁ። ብሰንኪ'ቲ ኣብቲ ዞባ ዝተኸሰተ ድርቂ ብዙሓት እንስሳት ንሞት ዝተሳጥሑ ኮይኖም ሰባት'ውን ከምዝተጎድኡ ክግለፅ ፀኒሑ'ዩ። ሓላፊ ብሄራዊ ፓርክ ቦረና ኣይተ ንጉሴ ዋታ፡ ኣብቲ ሕዛእቲ ብስእነት ማይን መግሃጫን ዝሞቱ እንስሳት ከምዘለዉ ተዛሪቡ። ኣብቲ ከባቢ ኣብቶም ዝሓለፉ ኣዋርሕ ዝናብ ብዘይምዝናቡ ዘጋጠመ ድርቂ፡ ንነበርቲ እቲ ዞባን ጥሪቶምን ምህሳዩ፡ ከምኡ’ውን ሰባት ንጥሜት ከምዝተሳጥሑ ተገሊፁ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ እንስሳት ዘገዳም’ውን ንሕሱም ፀገም ተቓሊዖም። ኣብቲ ከባቢ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ድርቂ፡ ነቲ ዞባ ጥራሕ ዘይኮነስ ንብሄራዊ ፓርክ ቦረና’ውን ፀገም ከምዝኾነ ዝተዛረበ እቲ ሓላፊ፡ ህዝቢ ቦረና ንርእሱ ፀገም ኣጋጢምዎ ክንሱ፡ \"ንእንስሳት ዘገዳም እቲ ሕዛእቲ ንምሕላው መስዋእቲ ይኸፍል ኣሎ\" ኢሉ። ይበፅሕ ዘሎ ጉድኣት ንነዊሕ እዋን ብዝፀንሕ ድርቂ እንስሳት ብሄራዊ ፓርክ ቦረና ከክጉድኡ ከለዉ እዚ ፈላማይ ኣይኮነን። ኣብቲ ሎሚ ዓመት ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ’ውን መግሃጫን ማይን ዝሰኣኑ እንስሳት ዘገዳም ተጎዲኦም እዮም። ሓላፊ ብሄራዊ ፓርክ ቦረና ኣይተ ንጉሴ ዋታ፡ “እዚ ድርቂ ካብ ዝጅምር፡ ኣድጊ በረኻን መፍለስን ብስእነት ማይ ይጉድኡ ኣለዉ። ብፍላይ መፍለስ ኣብ ዝበሃል እንስሳ ልዑል ምንካይ ክብደት ይረኣይ ኣሎ። ንሕና ዘይረኣናዮ ዝሞተ ክህሉ ይኽእል'ዩ። ኣድጊ በረኻ ዛጊድ ዝሞተ የለን። እንተኾነ ብሰንኪ እቲ ድርቂ ተቓላዕቲ ምዃኖም ፍሉጥ'ዩ” ኢሉ። ኣብቲ ሕዛእቲ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብቁፅሪ ውሑድ ዝኾነ ‘ግሬቨስ ዜብራ’ ዝበሃል ዓሌት ኣድጊ በረኻ ዝርከበሉ ቦታ ከምዘሎ እቲ ሓላፊ ተዛሪቡ። እዚ ሳሪቴ ዝበሃል ቦታ፡ ኣብቲ ከባቢ ብሰንኪ ድርቂ ካብ ማይ ብተወሳኺ ንመግሃጫ ዝኸውን ሳዓሩ ከምዝነከየ ይገልጽ። መስዋእቲ ይኸፍል ዘሎ ህዝቢ ህዝቢ ቦረና ኣብ ሓለዋ እንስሳት ዘገዳም ፅኑዕ ባህልን ልምድን ከምዘለዎ ዝዛረብ እቲ ሓላፊ፡ እቲ ህዝቢ ንጥሪቱ ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት ረድኤት ካብ ዝረኸቦ ሳዕሪ ነክዩ ንእንስሳት ዘገዳም ክህብ ከምዝረኣየ ሓቢሩ። ኣብዚ ቅነ ነበርቲ ቦረና ንእንስሳት ዘገዳም ማይ እናስተዩ ዘርእይ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሑ ኔሩ። ብፍላይ ሳሬቴ ኣብ ዝበሃል ቦታ፡ ኣይተ ጉራቻ ገልማ ዝበሃል ውልቀሰብ፡ ኣብ ጉድጓድ ዝወደቐት ኣድጊ በረኻ ብምልዓል፡ ሓፂቡ ናብቲ ሕዛእቲ ክትምለስ ከምዝገበረ ብሰፊሑ ይግለፅ ኔሩ። ዞባ ቦረና፡ ካብ ዞቦታት እቲ ክልል ብዝተፈለየ ልዑል ሕፅረት ማይ ካብ ሞንጎ ዝረኣየሉ’ዩ። ኣይተ ንጉሴ ከምዝበሎ፡ ንዓመታት ብህዝቢ ክግለጽ ዝፀንሐ ሕፅረት ማይ ሕዚ’ውን ኣይተፈትሐን። “ሕፅረት ማይ ቀንዲ ፀገምና ምዃኑ ክንገልፅ ፀኒሕና ኢና። እዚ ዝፍታሕ ድማ፡ ብጠቕላላ ከም ዞባ ዘሎ ፀገም ማይ ምስ ዝፍታሕ እዩ” ይብል። ስደት እንስሳት ዘገዳም እንስሳት ዘገዳም ድርቂ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ ማይን ሳዕርን ንምድላይ ናብ ካልእ ከባቢ ዝስደቱ እኳ እንተኾኑ፡ ኣብዚ እዋን ግና ነቲ ዞባ ኣብ ዘዳብው ሰሜናዊ ክፍሊ ኬንያ’ውን ተመሳሳሊ ፀገም ከምዘሎ እቲ ሓላፊ ተዛሪቡ። ስለዝኾነ ድማ እንስሳት እቲ ሕዛእቲ ናብ ኬንያ ናይ ምስዳት ዕድሎም ውሑድ ከምዝኾነ ይገልፅ። ካብ ቀረባ ግዘ ንነዘ ኣብ ገለ ከባብታት ዞባ ቦረና ውሑድ ዝናብ ብምውቅዑ፡ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ማይን መግሃጫን ክቃለል ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ሓቢሩ። ብሄራዊ ፓርክ ቦረና ቅድሚ ሕዚ መፅለሊ እንስሳት ዘገዳም ያቤሎ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ከባቢ ኣብ 2005 ዓ.ም ብሄራዊ ፓርክ ቦረና ብዝብል ከምብሓድሽ ተጣይሹ። ልዕሊ 3741 ትርብዒት ሜትር ስፍሓት መሬት ዝሽፍን እዚ ሕዛእቲ፡ ዝተፈላለያ ዓሌታት ኣዕዋፍን መጥበውቲ እንስሳትን ሒዙ ይርከብ። ኣብ ውሽጢ እቲ ሕዛእቲ ካብ ሞንጎ ዘለዋ 286 ዓሌታት ኣዕዋፍ፡ ኣርባዕቲአን ኣብ ዞባ ቦረና ጥራሕ ዝርከባ እየን። ኣንበሳ፣ ዘራፍ፣ ሓርማዝ፣ ኣድጊ በረኻ (ክልተ ዓይነት) ሓዊሱ 46 መጥበውቲ እንስሳት ኣብቲ ሕዛእቲ ይርከቡ።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59101166"} {"headline":"ንኸይጸንቱ ብሳተላይት ምክትታል ዝግበረሎም ዘሎ እንስሳታት","content":"ተጣበቅቲ ዕቃበ እንስሳ ነቶም ኣብ ጎቦታት ኔፓል ዝርከቡ ቀያሕቲ ፓንዳታት ካብ ምጽናት ንምክልኻል ብሳተላይት ይከታተልዎም ከምዘለው ተገሊጹ። እዞም ኣጥበውቲ ዝኾኑ ቀያሕቲ ፓንዳ ኣብ ምብራቅ ሂማልያን ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ቻይናን ጥራይ ዝርከቡ ኮይኖም ቁጽሮም ካብ ሽሕ ዝበዝሕ ኣይኮነን። እዞም ተጣበቅቲ ዕቃበ እንስሳ ኣብ ዓሰርተ ፓንዳታት ጂፒኤስ (ኣበይ ኣለኻ ዘርኢ መሳርሒ)ብምግጣም ካበይ ናበይ ይንቀሳቀሱ ኣብ ምክትታሎም ኣለዉ። እዞም ጂፒኤስ ዝተገጥመሎም ሽዱሽተ ኣንስትዮን ኣርባዕተ ተባዕትዮን ኮይኖም ሬድ ፓንዳ ኔትዎርክ ዝተበሃለ ጉጅለ ተጣበቅቲ ዕቃበ እንስሳ’ዩ ዝከታተሎም ዘሎ። ማና ባሃዳር ካዱክ ናይ ኔፓል ዳይረክትር ዕቃበ ኣገራብን ሓመድን ኮይኑ “እዚ ኣብ ቀያሕቲ ፓንዳታት ከይጸንቱ ዝግበር ዘሎ ምክትታል እምነ ኩርናዕ ንምዕቃብ ቀያሕቲ ፓንዳታት ጌርካ እዩ ዝርአ” ኢሉ። ፓንዳ ብስድራን ጉጅለን ኮይንካ ናይ ምንባር ልምዲ ዘለዎም ኣጥበውቲ እንስሳ እዮም። እዞም ኣብ ጫካታት ዝነብሩ ኣጥበውቲ እንስሳ፡ ሰባት ብብዝሒ ስለዝሃድንዎምን፡ ምስ ምብራስ ኣግራብን እቲ ንሶም ከም መግቢ ዝጥቀምሉ ኣርቃይ’ውን እናጎደለ ስለዝመጽአ ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ እንስሳ እዮም። እዚ ብናፓላውያን ተጣበቅቲ ዕቃበ እንስሳ ዝካየድ ዘሎ ንቀያሕቲ ፓንዳታት ካብ ምጽናት ናይ ምድሓን ስርሓት ነዞም ብቁጽሮም ውሑዳት ተሪፎም ዘለዉ ቀያሕቲ ፓንዳታት ዳግማይ ክስስኑ ተስፋታት ኣሰሲኑ ይርከብ።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53033130"} {"headline":"ንብዙሓት ዘቖጠዐ ጉዳይ ብጥሜት ዝተታሕዙ ኣናብስ ሱዳን","content":"ኩነታት ናይቶም ኣብ ሓደ ኣብ ርእሰከተማ ካርቱም ዝርከብ መካነ-እንስሳታት ተዳጒኖም ዘለዉን ብሰንኪ ጥሜት ኣብ ኣፍሞት ዝበጽሑን ኣናብስ፡ ኣብ ህዝቢ ሓያል ቁጠዐ ፈጢሩ። ዘስንብድ ስእሊ ናይቶም ብጥሜት ተለዂሲሶም ኣብ ጋቢና ተዳጒኖም ዝራኣዩ ሓሙሽተ ኣናብስ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስ ተዘርገሐ፡ ብዙሓት በቲ ትርኢት ከም ዝሓዘኑ ይገልጹ ኣለዉ። ብሰንበት፡ ብዙሕ እኩብ ህዝቢ እታ ከተማ፡ ነቶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝራኣዮም ኣዕጽምቲ ጥራይ ዝተረፉ እንስሳታት ንምርኣይ ናብቲ መካነ-እንስሳ ከም ዝኸደ ኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ሓቢሩ። \"ነቶም ኣናብስ ኣብቲ መካነ እንስሳ ከይደ ምስ ራኣኹዎም፡ ኣንቀጥቂጠ'የ ... ኣዕጽምቶም ወጺኡ ኢኻ ትርእዮም\" ክብል ነቶም ኣናብስ ንምድሓን ጎስጓስ ዝጀመረ ዑስማን ሳልሕ ንኣገልግሎት ዜና ተዛሪቡ። እቶም 5 ኣናብስ ኣብቲ ኣል-ቁረሺ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መካነ-እንስሳ፡ ኣብ ጋቢና ተዓጽዮም ዝርከቡ ኮይኖም፡ ብሰንኪ ስእነት መግብን ሕክምናን ክሳቐዩ ዝጸንሑ'ዮም። ሰብመዚ እቲ መካነ-እንስሳ፡ እቶም ኣናብስ ኣብዘ ዝሓለፈ ሒደት ሳምንታት ጥራይ ዳርጋ ክልተ-ሲሶ ካብ ሚዛኖም ከም ዝጎደሉ ይዛረቡ። \"መግቢ ኩሉሳዕ ኣይረኽቡን'ዮም። ስለዚ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ጁባና ኣውጺእና ኢና ንምግቦም\" ክብል ሓደ ካብ ኣካየድቲ እቲ መካነ-እንስሳ (ፓርክ) ንኤ-ኤፍ-ፒ ገሊጹ። እቲ መካነ-እንስሳ፡ ምምሕዳር ከተማ ካርቱም ዘካይዶ ኮይኑ፡ ብኸፊል ናይ ብሕቲ ኣካለት ዝምውልዎ'ዩ። ይኹን እምበር፡ ሱዳን ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ናህሪ ዋጋታት መግቢን ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዘስዓቦ ቁጠባዊ ቁልውላዉ ኣጋጢምዋ ይርከብ።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51180181"} {"headline":"ሰባት ነቲ መስሓቕ ሓሰማ በርሊን ንምድሓን ይቀዳደሙ","content":"ኤልሳ፡ ኣብ ዓለምና ዳርጋ እታ ውርይቲ መፍለስ ኮይና ኣላ። ብህቡብነታ ዘጥረየቶም ደገፍታ ካብ ሃደንቲ ከድሕንዋ ጎስጓስ ጀሚሮም ኣለው። ኤልሳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ጀርመናዊ ሰብኣይ ጥራሕ ነብሱ ኮይኑ ጸሓይ ክጽሎ እንከሎ፡ እታ መፍለስ ነታ ላፕቶፕ ሒዛ ዝነበረት ሕብራዊት ብጫ ሳንጥኡ መንጢላ ምስ ሃደመት ደድሕሪኡ ክትገዩ ስለ ዝረኣዩዋ እዩ እቲ ስም ተዋሂብዋ። እታ መፍለስ ኮምፒዩር ሒዛ ምስ ደቃ ክትሃድም፡ እቲ ሰብኣይ ድማ ንብረቱ ከምልስ ጥራሕ ነብሱ ክጎዩ ዘርኢ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ምስ ተዘርግሐ ኣቓልቦ ብዙሓት ረኺቡ። ኣብዚ እዋን ግን ሰብ መዚ እቲ ከባቢ፡ ነታ መፍለስ ምስ ካልኦት መፋልስ ክሕይርዋ ከም ዝኽእሉ ገሊጾም። እተን ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ መፋልስ፡ ንሰባት ከም ዘይፈርሓን እቶም ሰባት ከኣ ኣብቲ ከባቢ ከምድላዮም ከም ዝንቀሳቐሱን ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ይሕብሩ። እቶም ሓለፍቲ፡ ኣብ ከባቢ ቶውፈሎሲ-ከባቢ በርሊን፡ ብዙሓት መፋልስ ከም ዘለዉን፡ እቶም መፋልስ ድማ ኣብ ደቂ-ሰባት ሕማምን ክሕልፉ ስለ ዝኽእሉ ክእለዩ ኣለዎም ዝብል ስምዒት ኣለዎም። ኣብ በርሊን፡ ዓመታዊ፡ ከባቢ 2000 ሽሕ ዝኾኑ መፋልስ ብሃደንቲ ይቕተሉ። እንተኾነ፡ እዛ ኤልሳ ተባሂላ ተጸዊዓ ዘላ መፍለስ ክሳብ ደቃ ዝዓብዩ ብዝኾኑ ሃደንቲ ከም ዘይትቕተል ሰብ መዚ ስነ-ኣግራብ እቲ ቦታ ገሊጾም። ብተወሳኺ እቶም እንስሳታት ብኽብሪ ክተሓዙ፤ ግን ሰባት መግቢ ከይህብዎም ሓቢሮም። ኣብ ከባቢ በርሊን፡ መፋልስ ቱፋሕን እምበቲቶን ከም ዝወሃቦም 24 (ትዌንቲ-ፎር) ዝተባህለ ማዕከናት ዜና ይገልጽ። ዝሓለፈ ሰንበት፡ ብዙሓት ሰባት ንመፍለስ ኤልሳን ደቃን ንምድሓን ኣብ ግሩንዋለደ ኣድማ ገይሮም ነይሮም። ብመርብብ ሓበሬታ ዝተገብረ ጎስጓስ ድማ ከባቢ 9000 ፈርማ ተኣኻኺቡ። እቶም ሰባት \"ነታ ደረቕ ግን ከኣ ሕያወይቲ መፍለስ ተኸናኸንዋ\" ኢሎም ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለው። ካብቶም ነቲ ፈርማታት ኣብ ምእካብ እትነጥፍ ጀኒን ፓስቱለር፡ ኤልሳ ብሰላማዊ መገዲ ኣብቲ ፓርክ ክትነብር ይግባእ ክትብል ትካታዕ። እታ መፍለስ ኣብ ሰባት ዝኾነ ስግኣት ከም ዘይትፈጥር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዘጋጠመ ኩነታት ክንርድኦ ንኽእል ኢና ከኣ ትብል። ነቲ ሰብኣይ ሓደጋ ከተብጽሓሉ ትኽእል ነይራ፤ ግን ከምኡ ኣይገበረትን። እዚ ኸኣ መርኣያ ሰላማውነታ እዩ ኢላ። ኣብ ቀረባ መዓልታት ጀርመናውያን ካልእ ፍልይ ዝበለ ፍጻሜ ኣጋጢሙዎም ነይሩ። ሓደ ካልእ ተባዕታይ ሓሸማ ካብቲ ቦታ ጠፊኡ ኣብ ባሕሪ ባልቲክ ክሕምብስ ብቪድዮ ካሜራ ሓለፍቲ መገዲ ተሳኢሉ። ሓደ ሰብኣይ ነቲ ዝሕምብስ ዝነበረ ሓሰማ ብባዴላ ገይሩ ይደፍኦ ስለ ዝነበረ እቶም ኣብቲ መናፈሻ ዝዕዘቡ ዝነበሩ ሰባት ግደፎ ይኺድ እናበሉ ጨዲሮም። ኣብ መወዳእታ እውን ነቲ ሰብኣይ በቲ ዝገበሮ ክሲ መስሪቶምሉ ኣለው።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53829568"} {"headline":"ኣብ ምጽናት እትርከብ ቀታሊት ዓሌት ዓሳ ነባሪ ደጊማ ጠኒሳ- ተመራመርቲ","content":"እዛ ንሰባት ብምቕታል እትፍለጥ ኣንስተይቲ ዓሳ ነባሪት ንዝሞተ ውላዳ ን17 መዓልታት ዝኣክል ሓዚላ ልዕሊ 1600 ኪሎ ምትሮ ከምዝተጉዓዘት ተመራመርቲ ሓቢሮም። እቶም ሊቃውንቲ ፡ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት [ድሮን] ብዝተኸታተልዎ መሰረት እዮም ብዛዕባ እዛ ቐታሊት ዓሳ ነባሪት ኣጽኒዖም። ቴሌኳ እናተብሃለት እያ እትጽዋዕ። ንዓኣ ሓዊሱ ሰለስተ ዓይነት ዓሳ ነባሪ ጠኒሰን ኢሎም። እዘን ቀተልቲ ዓሳ ነባሪ፡ ዝሞተ ውላዳን ንሓደ ሰሙን ተሸኪመን ብምዛር እየን ዝፍለጣ። እዚኣ ግን፡ ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ሓዚላ ትዛወር ኣላ፤ እዚ ድማ ዘይተለምደ ምዃኑ እዮም እቶም ተመራመርቲ ዝገልጹ። ቴሌኳ፡ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሰለስተ ዓሌታት ዓሳ ነባሪ ኮይኖም፡ ነፍሲ ወከፎም ናይ ኣስታት 72 እኩብ እዮም። ኣብ ማያት ዋሺንግተን ዲሲን ኣብ ደቡባዊ ጫፋት ቫንኮቨር ዝበሃሉ ደሴታት ካናዳን እዮም ዝርከቡ። ሃገራት ኣመሪካን ካናዳን፡ እዞም 'ደቡባዊ ቀተልቲ ነባሪ ዓሳ'፡ ከም ዓሌት ኣብ ምጽናት ዝርከቡ ኢሎም እዮም መዝጊቦሞም። ሲያትል ታይመስስ ዝተብሃለ መራኸቢ ብዙሓን ከምዝጸብጸቦ፡ ሓደ ካብቶም ኣብዞም እንስሳት ኣትኲሩ ዝሰርሕ ጉጅለ ተመራመርቲ ዝኾነ ጆን ደርባን፡ ኣብ ዘካይዶ መጽናዕቲ ምስልታት እቶም ዓሌት ዓሳ አተኣኻኺቡ ኣሎ። እቶም ኣሳእል፡ ካብቶም ዓሳ ነባሪ ኣስታት 30 ሜትሮ ርሕቐት እዮም ተዋሲዶም ተባሂሎም። እዞም ዓሌታት ዓሳ፡ ምጥናሶም ዘይልሙድ እንተኾነ'ኳ፡ እቶም ውሉዳት ብህይወት ናይ ምጽናሕ ዕድሎም ትሑት እዩ ነይሩ- ይብሉ እቶም ተመራመርቲ። ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት፡ እዛ ዓሌት ዓሳ ክትጠንስ ንፈለማ እዋን እዩ ተባሂሉ። እቲ ሚድያ ከምዝበሎ ግን፡ ክልተ ዓሳ ነባሪ እዚ ቀታሊ ዓሌት፡ ዛጊድ ብህይወት ዝርከቡ ወሊዶም። ዩኒቨርሲቲ ዋሺንግተን ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ ናይዞም ዓሌት ምርባሕ ጠጠው ምባል፡ ምስ ምስኣን ምግቢ ብፍላይ ድማ ዝምገብዎ 'ቺኖክ ሳልሞን' ዝተብሃለ ዓይነት ዓሳ ቁጽሩ እናነከየ ምምጻእን ዝተኣሳሰር እዩ። ገለ ጃልባታት ካብቲ ከባቢ ክርሕቑን፡ ንክራብሑ ናጻ ቦታ ክህብዎምን ኣጠንቂቖም ኣለዉ። ቴሌኳ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2018፡ ዝሞተት ውላዳ ተሸኪማ ከምእትዘውር ምስተፈልጠ እያ፡ ቀልቢ ማሕበረሰብ ዓለም ስሒባ ነይራ። እቲ ናይ ሕዚ ክስተት ግን፡ ንክንድዚ ዝኣከል መዓልታት ምውት ውላዳ ተሸኪማ ክትዘውር ንፈለማ እዋን እዩ።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53571936"} {"headline":"ኣቶሚክ ቦምብ፡ ዕድመ ኣብ ዓለም'ቲ ዝዓበየ ዓሳ ነባሪ ንምፍላጥ ኣኽኢሉ","content":"ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ካብ ዝተኻየደ ፈተነ 'ኣቶማዊ ቦምብ' ዝተረኸበ መረዳእታ፡ ተመራመርቲ፡ ዕድመ እቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ዓሳ ንምፍላጥ ከምዝሓገዞም ተፈሊጡ፡፡ ወይል ሻርክ፡ ዓሳ ነባሪ፡ ብበዝሒ ኣብ ትሮፒካዊ ማያት ዝነብር ግዙፍን ህዱእን ፍጥረት እዩ። እዞም ዓይነት ዓሳ፡ ነዊሕ ዕድመ ዘቑጸሩ እኳ እንተኾኑ፡ ተመራመርቲ ግና፡ ናይዞም ሓደጋ ምጽናት ኣጋጢምዎም ዘሎ ፍጥረታት ዕድመ ንምፍላጥ፡ ተጸጊሞም ጸኒሖም እዮም፡፡ እዚ ግና ፡ ካብ 'ራድዮ ኣክቲቭ' ብዝርከብ ሓበሬታ፡ ነቶም ፍጥረታት ንምድሓን ዝሕግዝ መገዲ ረኺቦም ኣለዉ። ክሳብ 18 ሜትር ዝበጽሕ ቁመቶምን 20 ቶን ዝምዘን ክብደቶምን፡ እቶም ዝዓበዩ ዓሳን ሻርክን ይገብሮም። ብፍላይ በጻሕቲ ምስዞም ዓይነት ዓሳ፡ ምሕማስን ምርኣይን ከምዘሐጉሶም ይዛረቡ። እንተኾነ ብምኽንያት ምግፋፍ፡ ኣብ ሓደጋ ምጽናት እዮም ዝርከቡ፡፡ ዕድሚኦም ሓዊሱ፡ ዝርዝር ባህርያቶም ድማ አዐርዩ ኣይተፈለጠን ጸኒሑ። ብፍላይ ዕድመ እዞም ፍጥረታት ምፍላጥ፡ ብቐጻሊ ካብ ምጽናት ንምድሓን ዝሕግዝ መጠን ምርባሕ እዞም ፍጥረታት ንምርዳእ፡ ከምዝሕግዝ ተመራመርቲ ይገልጹ። ክሳብ ሎሚ፡ ተመራመርቲ፡ ኣብ ዓንዲ ሑቐ ወይል ሻርክታት ዝርከቡ፡ ብግዘ በዝሖም እናወሰኸ ዝኸዱ መስመራት ብምጽናዕ፡ ዕድመ ዝሞቱ ወይል ሻርክታት ንምፍላጥ እናፈተኑ ዝጸንሑ ኮይኖም፡ ርግጸኛታት ምዃን ግና ኣይከኣሉን። ሕዚ ግና ዕድመ ወይል ሻርክታት ብትኽክል ንምፍላጥ ዘኽእል መገዲ፡ ከምዝረኸቡ እዮም ዝገልጹ። ካብ መወዳእታ 1940ታት ጀሚሩ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተኮሰኦም ኣቶማዊ ቦምብታት፡ ኣብ ከባቢ ኣየር ዝርከብ መጠን ካርቦን-14 ዝተብሃለ ባእታ፡ ብዕጽፊ ክውስኽ ዝገበሩ እንትኾን፡ እዚ ባእታ ናብ ኣብ መሬት ዝርከቡ ህይወታውያን ኩሎም ሰሪጹ ናይ ምእታው ተኽእሎ ኣለዎ። እዚ ምስ ግዘ ንውሓት እናበስበሰ ዝኸይድ ባእታ፡ ዕድመ ንምፍላጥ ኣዝዩ ጠቓሚ ከምዝኾነ ድማ ተመራመርቲ ይገልጹ። እንስሳት ዕድመኦም እናወሰኸ እንትኸይድ፡ ዝርከቦም መጠን እቲ ባእታ ዝነኣሰ እዩ፡፡ \"ኣብቲ ሽዑ እዋን ዝነበሩ ብዙሓት እንስሳት፡ እቲ ዝወሰኸ መጠን ካርቦን-14 ኣብ ጥንኩር ኣካላቶም ክእከብ ገይሮም\" ዝብል ተመራማሪ ዶ\/ር ማርክ ሚከን፡ ኣብ ዓንዲ ሑቐ እዞም ዓሳታት ዝርከብ መጠን እቲ ባእታ ዝብስብሰሉ ግዘ ምፍላጥ፡ ዕድመ እዞም ፍጥረታት ንምግባጥ ከምዘኽእል ገሊጹ፡፡ እቲ ጉጅለ ምርምር፡ ኣብ ፓኪስታንን ታይዋንን ዝተረኸበ ዓጽሚ ቅሪት ናይዞም ዓሳታት ሒዙ እዩ፡ ምርምሩ ዘካይድ ዘሎ። እቲ መጽናዕቲ ገና ኣብ ከይዲ ዋላእኳ እንተኸነ፡ ዛጊድ ዝተረኸበ ውጽኢት፡ እቶም ፍጥረታት ነዊሕ ዕድመ ከምዝነበሩ ዘርኢ እዩ። ሓደ ካብቶም ተመራመርቲ ዶክተር ሚካን፡ ናይዞም ዓሳ ዕድመ ካብ 100 ክሳብ 150 ከምዝኾነ እዩ ዝሕብር ይብል። እቶም ተመራመርቲ፡ እዞም ተደለይቲን ንወዲሰብ ጠቐምትን ዝኾኑ ዓሳታት፡ ብፍላይ ኣብ ባሕርታት ታይዋንን ታይላንድን ቁጽሮም ዝመንመነሉ ምኽንያት ንምፍላጥ፡ እቲ መጽናዕቲ ክሕግዝ ምዃኑ ይኣምኑ። \"ወዲሰብ ክምዝምዞም ኣይኮኑን ተፈጢሮም\" ኢሉ ዶክተር ሚካን። ዕድሚኦም ምፍላጥ፡ እቲ ዓሌቶም ካብ ምጽናት ከምዝሕግዝ ድማ፡ ተስፋ ገይሮም ኣለዉ።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52217376"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ: ኣብ ኣሜሪካ ኣብ መካነ እንስሳ ዝነበረት ነብሪ ኮሮናቫይረስ ተረኺብዋ","content":"ኣብ ኣሜሪካ ኣብ መካነ እንስሳ እትነብር ጓል ኣርባዕተ ዓመት ናድያ እትበሃል ነብሪ፡ ፈላመይቲ ኮሮናቫይረስ ዝተረኸባ እንስሳ ኮይና ኣላ። እዛ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ብሮክስ ዝተብሃለ መካነ እንስሳ እትነብር ነብሪ፡ ምስ ካልኦት ሽዱሽተ ኣናብር ትነብር ዝነበረት ኮይና ንቶም ክልኦት ኣናበር'ውን ነቲ ኮሮናቫይረስ ኣሕሊፋትሎም ከምእትኽእል ሓለውቲ እቲ ማከነ እንስሳ ዘለዎም ሻቕሎት ገሊጾም። ፓል ካለ ዝተብሃለ ሓኪም እንስሳ፡ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ \"እዚ ኣብ ዓለም ናይ መጀመርታ ተርእዮ ኮይኑ፡ እዚ ሕማም ካብ ሰብ ናብ እንስሳ ክመሓላለፍ ከምዝኽእል እውን ክንፈልጥ ክኢልና ኣለና\" ኢሉ። እቲ መካነ እንስሳ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ \"እዚ ኣብ ናድያ (ሽም እታ ዝሓመመት ነብሪ) ዝረኸብናዩ፡ ብዓለም ደረጃ ብዛዕባ ኮቪድ-19 ዘለና ኣፍልጦ ንኸነበርኽ ሓጋዚ እዩ\" ኢሉ። ኣብቲ መግለጺ፡ ኣዙል ዝተብሃለት ሓፍቲ ናድያ፡ ክልተ ኣናብርን ሰለስተ ናይ ኣፍሪቃ ኣናብስን ምልክታት እቲ ሕማም ከምዝተራእዮም ገሊጾም። ኮሮናቫይረስን እንስሳን ኮሮናቫይረስ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 2019 እዩ ንመጀመርታ እዋን ኣብ ቻይናዊት ከተማ ውሃን ክረአ ጀሚሩ። ኮሮናቫይረስ (ኮቪድ-19) ኣብ ውሃን እንስሳ ኣብ ዝሽየጥሉ ዕዳጋ ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ከምዝተመሓላለፈ'ዩ ዝእመን። ብድሕሪ እዚ፡ እዚ ሕማም ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብቅልጡፍ ክላባዕ ጀሚሩ፡ እንተኾነ እዛ ናድያ እትብሃል ነብሪ ኮሮናቫይረስ ምስ ተረኸባ ግን እዚ ሕማም ካብ ሰብ ናብ እንስሳ ክሰጋገር እኽእል ድዩ ዝብል ሓዲሽ ሕቶ ኣላዓዒሉ ይርከብ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ሆንግኮንግ ዝርከቡ ክልተ ኣኻልብ ሓዊስካ ብኣጻብዕ ዝቁጸሩ እንስሳታት እዮም ኮቪድ 19 ተረኺብዎም ዘሎ። መግለጺ መካነ እንስሳ ብሮክስ ከምዝሕብሮ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ካብ እንስሳ ሓሊፍዎ ዝሓመመ ሰብ ከምዘየሎ እዩ ዝገልጽ። ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለምን ንጥዕና እንስሳ ዝከታተል ጨንፈር'ውን እዚ ሕማም ካብ ኣኻልብ ወይ ደማሙ ናብ ሰብ ክምሓላለፍ ከምዝኽል ዝኾነ መርትዖ ከምዘይብሉ እዩ ዝገለጽ። እዚ ውድብ፡ መጽናዕቲ የካይድ ከምዘሎ ብምሕባር ክሳብ ውዱእ ውጽኢት ዝረክብ፡ ዝኾነ ብኮቪድ 19 ዝሓመመ ሰብ፡ ምስ ከም ከልብን ድሙን ዝኣመሰሉ እንስሳ ዘቤት መንትንኻፍ ከቋርጽ ምዒዱ ኣሎ። ኣብ ኩምብሪጅ ዩኒቨርስቲ ሓኪም እንስሳን ተመራማሪትን ዶክተር ሳራ ካዲ \"እዛ ምስቶም ሓለውቲ እንስሳ እቲ መካነ እንስሳ ብዙሕ ዘይትቀርብ ነብሪ እዚ ቫይረስ ስለዝተረኸባ ዘገርም እዩ\" ድሕሪ ምባል \"እዛ ነብሪ ዘርኣየቶ ምልክታት ልክዕ ከምቲ ናይ ሰብ ምዃኑ ኸኣ እቲ ዘገርም ነገር እዩ\" ኢላ።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52187093"} {"headline":"ኬንያ ኣእዱግ ተሓሪዶም ከይሽየጡ ኣጊዳ","content":"ካብ ዝመጽእ ወርሒ ጀሚሩ ኣብ ኬንያ ማሕረዲ ስጋ ኣእዱግ ጠጠው ከም ዝብል ሚኒስተር ሕርሻ እታ ሓቢሩ። ኬንያ፡ ነቲ ኣብ ቻይና እናዓበየ ዝመጽእ ዝነበረ ጠለብ ስጋ ንኸተማልእ፡ ንናይ ኣእዱግ ዕዳጋ ሕጋውነት ኣልቢሳቶ ነይራ። ሚኒስተር ፒተር ሙንያ፡ እቲ ውሳኔ ሕጽረት ኣእዱግ ስለዘስዓበ ግጉይ ውሳኔ ከም ዝነበረ ገሊጹ። ኣብ ገጠራት ዝነብሩ ህዝቢ፡ ንምጉራት ማይን፡ ዕንጨይትን፡ ኣእዱግ ስለዝጥቐሙ፡ እዚ ሕጽረት ኣእዱግ ኣብ ስራሕ ደቂ-ኣንስትዮ ተወሳኺ ተጽዕኖ ከይፈጥር ስግኣት ኣሎ። ብመሰረት ዝሓለፈ ዓመት ዝተገበረ መንግስታዊ ጸብጻብ፡ ብዝሒ ኣእዱግ ካብቲ ቕድሚ ዓሰርተ ዓመት ዝነበረ 1.8 ሚልዮን ናብ 600,000 ከም ዝወረደ ተፈሊጡ። ብሰኑይ፡ ኣብ ናይሮቢ ዝርከቡ ሓረስቶት ኬንያ፡ ኣብ ኣፍ-ደጌ ቤት ጽሕፈት ኣቶ ሙንያ ብምምጻእ፡ ንአእዱግ ንምክንኻን ስጉምቲ ክውሰድ ሰላሚ ሰልፊ ኣካዪዶም። ሰልፈኛታት ኣብ ጭርሖኦም፡ \"ኣእዱግ ምስ ዝሕረዱን ዝስረቑን፡ ደቂ-ኣንስትዮ ናብ ኣእዱግ ይቕየራ\" ዝብል ሒዞም ነይሮም። ኣቶ ሙንያ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ሕጋዊ ዝኾነ ማሕረዲ ኣእዱግ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ናብ ናይ ካልኦት እንስሳታት ማሕረዲ ከም ዝቕየር ወይ ድማ ከም ዝዕጾ ሓቢሩ። እቲ ሚኒሰተር ደጊሙ፡ እቲ ናይ ኣእዱግ ንስጋ ምሕራድ ብግቡእ ዘይተሓስበሉ ፖሊሲ ከም ዝነበረ ጠቒሱ። \"ካብቲ ብምሕራድ ኣእዱግን ስጋኦም ብምብላዕን ዝርከብ ጥቕሚ፡ እቲ ዘበርክትዎ ልምዳውን ባህላውን ስራሕ ይበልጽ\" ይብል እቲ ሚኒስተር። እዚ ምሕራድ ኣእዱግ፡ ዘይሕጋውያን ወዲኒታት ከም ዝበዝሑን፤ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ከም ዝዋፈሩን ገይሩ ይብሉ እቶም ነበርቲ። ኣብ ኬንያ ኣርባዕተ ሕጋውያን መሕረዲ እንስሳታት ኣለዋ። ብገምጋም፡ ኣብ ኬንያ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 1000 ኣእዱግ ከም ዝሕረዱ ይንገር። ብመሰረት ኣፍሪቃ ነትዎርክ ፎር ኣኒማል ወልፈር፡ ካብ 2012 ኬንያ ንስጋ ኣድጊ ሕጋዊ ካብ እትገብሮ ንደሓር፡ ዋጋ ናይ ሓደ እኹል ኣደጊ ኣብ ኬንያ ኣርባዕተ ዕጽፊ ኮይኑ። ኣብ ቻይና ቆርበት ኣድጊ ብዙሕ ጠለብ ከምዘለዎ ይግለጽ።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51640277"} {"headline":"ኣውስትራልያ፡ ካብ ቆርበት ሓርገጽ ዝተሰርሐ 19 ሽሕ ዶላር ዋግኡ ናይ ኢድ ቦርሳ ብፖሊስ ተቃጺሉ","content":"19,000 ዶላር ዝዋግኡ ካብ ቆርበት ሓርገጽ ዝተሰርሐ ናይ ኢድ ቦርሳ ሒዛ ናብ ኣውስትራልያ ክትኣቱ ዝተረኸበት ጓል ኣንስተይቲ ብዘይ ፍቃድ ኢኺ ከተእትውዮ ፈቲንኪ ተባሂላ ነቲ ቦርሳ ኣሕዲጎም ከምዘቃጸልዎ ሰብ መዚ ኣውስትራልያ ገሊጾም። እዚ ምስ መጋየጺ ዝኾኑ ንብረታት ዝስራዕ ናይ ኢድ ቦርሳ ኣብ ፈረንሳ ካብ ሰይንት ላውረንት ዝተብሃለ ክቡር ንብረታት ዝሽየጠሉ ዓቢ ድኳን ከምዝተዓደገን ብሓለዋ ዶብ ከተማ ፐርዝ ኣውስትራልያ ከምዝተተሓዘን እዩ ተገሊጹ ዘሎ። ካብ ቆርበት ሓርገጽ ዝተሰርሑ ፍርያት ናብ ኣውስትራልያ ክኣትዉ ፍቁድ እኳ እንተኾነ፡ እቶም ካብ ቆርበት ሓርገጽ ዝተሰርሐ ንብረት ናብ ኣውስትራልያ ከእትዉ ዝሓስቡ ሰባት ኣቐዲሞም 70 ናይ ኣውስትራልያ ዶላር ከፊሎም ፍቃድ ክውሃቦም ክሓቱ ከምዝለዎም ዘገድድ ሕጊ ኣሎ። ሚኒስተር ኣከባቢ ኣውስትራልያ ነቲ ምህጋርን ምቅጻልን ናይቲ ቦርሳ፡ “እቲ ኣቐዲሙ ዝጸደቐ ሕጊ ተግባራውነቱ ንምርግጋጽ ይስራሕ ከምዘሎ ዘርኢ’ዩ”ኢላ። ኣብ ኣውስትራልያ እንስሳ ዘገዳም ክሸይጥን ክዕድግን ዝተረኸበ ሰብ ክሳብ 10 ዓመት ማእሰርትን ኣስታት ርብዒ ሚልዮን ናይ ኣውስትራልያ ዶላር ከቅጽዕ ዝኽእል ሕጊ ኣለዋ። ውጽኢት ቆርበት ሓርገጽ ዝኾኑ ፍርያት፡ ናብ ኣውስትራልያ ክኣትዉ ፍቁድ እኳ እንተኾነ ብመሰረት ዓለምለኻዊ ውዕል ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ዓሌታት እንስሳን ኣታኽልትን ጥቡቕ ዝኾነ መቆጻጸሪ መስርሓት ከምዘለዎም እዩ ዝግልጽ። ሚኒሰትር ኣከባቢ ሱዛን ለይ “ ብኦንላይን እንታይ ኢና ንዕድግ ዘለና እኹል ግንዛበ ክህልወና ኣለዎ፡ ብፍላይ ውጽኢት ቆርበት ዝኾኑ ነገራት ኣብ እንዕድገሉ ሕጊ ናይዛ ሃገር ምርዳእ ከድልየና እዩ” ኢላ። ንሳ ብምስዓብ “ መንግስቲ ናብ ኣወስትራልያ እንታይ ይወጽእን እንታይ ይኣቱን ብምክትታል ዘይሕጋዊ ዝኾነ ደው ከብል ግዴታ ኣለዎ” ኢላ። እታ ነቲ ቦርሳ ዝዓደገት ውልቀ ሰብ እቲ ቦርሳ ካብ ፈረንሳ ክወጽእ እኳ ፍቃድ እንተኣውጸአትሉ ናብ ኣውስትራልያ ዘእቱ ወረቐት ግን ከምዘይነበራ እዩ ተገሊጹ። መንግስታት ዓለም ቆርበት ናይቶም ኣብ ሓደጋ ምጽናት ዘለዉ እንስሳታት በቶም መጋየጺ ዝኾነ ንብረት ዝሸጡ ዓበይቲ ትካላት ዓቢ ተጠላብነት ከምዘለዎ ስለዝተገንዘቡ ንምቁጽጻር ዝሕግዝ ውዕላት ይፈራረሙ እዮም።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54023804"} {"headline":"ምስጢር ሞት ልዕሊ 300 ሓራምዝ ቦትስዋና ተፈሊጡ","content":"ኣብዚ ዓመት መንቀሊኡ ብዘይተፈለጠ ምኽንያት ሞይቶም ዝተባሃሉ 330 ሓራምዝ ብሲያኖባክተርያ ኣብ ማይ ብዝተፈጠረ መርዛም ነገር(ቶክሲን) ከምዝኾነ ተገሊጹ፡፡ እቲ መርዛም ባክቴርያ ብተፈጥሮ ኣብ ዕቋር ማይ ዝፍጠር ኮይኑ ሓልሐሊፉ ድማ ናብ ብሉ ግሪን ኣልጌ ዝበሃል ሳባ ማይ ዝዓቢ እዩ፡፡ ኮይኑ ግና ብዙሓት ዘይተመለሱ ሕቶታት ከምዘለዉ ሰብ ሞያ እንስሳት ዘገዳም ንሮይተርስ ሓቢሮም፡፡ እቲ ኣብ ደለል ኦኮቫንጎ ዘጋጠመ ክስተት ንካልኦት እንስሳት ዘይምቕታሉ፡ ንሰብ ሞያ ሓለዋ እንስሳት ሓካይምን ግር ዘበለ ጉዳይ እዩ፡፡ ላዕለዋይ በዓልሞያ ጥዕና እንስሳት ምማዲ ሩበን ‘‘መትኒ ዝምርዝ ሲያኖ ባክተርያ ምኽንያት ሞት’’ እቶም ሓራምዝ ከምዝኾነ ዝተገበረ ምርመራ ከምዘርእየ ገሊጹ፡፡ ‘‘ኣብ ማይ ዝርከቡ ባክተርያታት እዮም፡፡ እንተኾነ ከም ንምንታይ ሓራምዝ ጥራይ ሞይቶም፡ ንምንታይ ኣብዚ ከባቢ ጥራሕ ዝብሉ ዛጊድ ዘይተመለሱ ሕቶታትን ግን ኣለዉና’’ ዝበለ ምማዲ ሩበን፡ ብዙሓት ምኽንያት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝበሉዎም ክልስ ሓሳባት ይምርምሩ ከምዘለዉ ሓቢሩ፡፡ ምክትል ዳይሬክተር ክፍሊ እንስሳ ዘገዳምን ብሄራዊ ፓርክን ሲሪል ታኦሎ ድማ ቁጽሪ ዝሞቱ ሓራምዝ ኣብ ኣብ ሓምለ ካብ ዝነበረ 281 ናብ 330 ከምዝዓበየ ገሊጹ፡፡ ቦትስዋና ሲሶ ሓራምዝ ኣፍሪቃ ዝርከቡላ ሃገር እያ፡፡","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54239086"} {"headline":"ኣብ ከተማ በርሊን ሳእኒ እትሰርቕ ወኻርያ ተረኺባ","content":"ኣግራብ ኣብ ዝበዝሖ ወሰናስን ከተማ በርሊን እትነብር ወኻርያ መዛረቢት ማዕከናት ዜና ኮይና ቀንያ። ከተማ በርሊን ኣብ ተዛማዲ ጸሓይ ዝዓብሎሎ ኩነታት ኣየር እያ ዘላ፡ ሰባት ድማ ፍኩስ ዝበለ ክዳንን ሸበጥን ለቢሶም ምዝዋር እዩም ዘዘውትሩ። ኣብ ኣፍደገ ገዝኦም ዝገደፍዎም ሸበጥን መጉየዩ ሳእንን ብተደጋጋሚ ይጥፍኦም ምህላዉ ዝሕበሩ ሰባት ድማ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ክብርክቱ ጀሚሮም። ብፍላይ ነበርቲ ከባቢ ዘህለንዶርፍ ኣሳእኖም ብለይቲ ካብ ኣፍደገ ገዛ ክስረቕ ምስ ጀመረ ኣብ ዓቢ ምጥርጣር’ዮም ኣትዮም። ኣብ መወዳእታ ሓደ ነባሪ እቲ ከባቢ ኣብ ኣፋ ጽምዲ ጫማ ዝሓዘት ወካርያ ምስ ረኣየ ኣቃልብኡ ክሰሓብ ክኢሉ። ንሱ ምስ ደይሊ ታጋሳፒገል ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ “ክልተ ሰመያዊ ሸበጥ ኣብ ኣፋ ሒዛ እናጎየየት እንከላ እየ ርእየያ” ኢሉ። እታ ወኻርያ ምክትታል ምስ ተገበረላ ኣብ ሰፈራ ልዕሊ 100 ጽምዲ ሸበጥ ክርከብ እንከሎ፡ እቲ ደቂ ተባዕትዮ ንመጉየዩ ዝጥቀምሉ ፎኵስ ኣሳእን ግን ክርከብ ኣይተኻኣለን። ኤዲተር ደይሊ ታጋሳፒገል ፈሊክስ ሃከንባርች ስእሊ ኣሰንዩ ኣብ ትዊተር ምስ ለጠፎ፡ ኣብ ከባቢታት ዘህለንዶርፍ ሳእኒ ጥራይ ዝሰርቕ ስዉር ገበነኛ ኣትዩ ኣሎ እናበሉ ተረበሾም ዝነበሩ ነበርቲ ፍኵስ ዝበሎም ይመስሉ።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53619696"} {"headline":"ኬንያ፡ ሳሕቲ ዝርኣያ ጻዓዱ ዘራፋት ተቐቲለን","content":"ክልተ ሳሕቲ ዝርከባ ጸዓዱ ዘራፍት ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኬንያ ብዘይሕጋውያን ሃደንቲ ተቐቲለን። ሬሳ ሓንቲ ዘራፍን ገልገልን ኣብ ጋሪሳ ዝተባህለ ከባቢ ብሓለውቲ እንስሳ'ዩ ተረኺቡ። እታ ሳልሰይቲ ዘራፍ ግን ብህይወታ ተረኺባ። እዛ ብህይወታ ዝተረኸበት ጻዕዳ ዘራፍ እታ እንኮ ኣብ ዓለም ተሪፋ ዘላ ምዃና ተጣበቕቲ እንስሳታት ይሕብሩ። ኣብ 2017፡ ናተን ስእሊ ኣብ ኣብ ምሉእ ዓለም ከምዝተረገሓ ይፍለጥ። ነተን ዘራፍ ዝቐተሉ ዘይሕጋውያን ሃደንቲ ክሳብ ሕጂ ከምዘይተፈልጡን ስለምንታይ ከምዝቐተልወንን ኣይተነጸረን ዘሎ። በዓልመዚ ልምዓትን ሓለዋን እንስሳ ዘገዳም ኬንያ፡ ንቕትለት እተን ዘራፍት መርመራ የካይድ ከምዘሎ ገሊጹ። እተን ዘራፍት ዝተቐትሉሉ ሕዛሕቲ ዝኾነ መከላኸሊ ከምዘይብሉን ኣብቲ ከባቢ ብዙሓት ዓድታት ከምዘለዋን ይግለጽ። እዘን ጻዕዳ ሕብሪ ዘለውን ዘራፍ፡ ኣብ ኬንያ ኣብ 2016 እየን ተራእየን። ብመሰረት ንእንስሳ ዘገዳም ኣፍሪቃ ዝከታል ትካል፡ ኣብ ውሽጢ 30 ዓመት፡ 40 ሚእታዊት ዘራፍ ከምዝጠፍኣ ይሕብር። ብዝሒ ዝራፍ፡ ኣብ 1985 ከባቢ 155ሽሕ ከምዝነበረን፤ ኣብ 2015 ድማ ናብ 97ሽሕ ከምዝወረደ ጸብጻባት እንስሳ ዘገዳም ይሕብሩ።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51835116"} {"headline":"ፓኪስታን፡ ኣብ ሰፈር ኣናብስ ሬሳ ሓደ መንእሰይ ተረኺቡ","content":"ኣብ ፓኪስታን ከተማ ላሆር ኣብ ዝርከብ ሰፈር ኣናብስ ሬሳ ሓደ መንእሰይ ከምዝረኸበ ተገሊጹ። ማሓሙድ ቢላል ዝተባህለ ወዲ 17 ዓመት ብኸመይ ኣብቲ ሰፈር ከምዝኣተወን፤ ብኸመይ ከምዝሞተን ሰብመዚ እታ ከተማ መርመራ የካይዱ ኣለው። እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ህዝቢ ግን ብቕዓት ናይቶም ኣብ መካነ-እንስሳ ዝሰርሑ እዮም ዝነቕፉ። ዝሓለፈ ሰሙን፡ ናይቲ መካነ-እንስሳታት ቤት-ጽሕፈት ብሰረቕቲ ተዘሚቱ ነይሩ። እቲ ብመንግስቲ ዝምወል 'ላሆር ሳፋሪ' ዝባህለ መካነ-እንስሳ፤ ኣብ 1982 ዝተመስረተ ኮይኑ፤ ኣብ ፓኪስታን እቲ ዝዓበየ ዝገደመን መካነ እንስሳ እዩ። ኣካያዲ ስራሕ መካነ-ስንስሳታት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ስድራ-ቤት እቲ መዋቲ ኣብቲ መካነ-ስንስሳታት መጺኦም ኣብ ጉዳይ እቲ መንእሰይ ሓገዝ ከምዝሓተቱ ገሊጹ። \"ንሕና ድማ ደንጉኹም ኢልናዮም ከምኡ'ውን ኣብ ጸልማት ነቲ ወዲ ክንደልዮ ሓደገኛ እዮ ኢልናዮም\" ኢሉ። ሰራሕተኛታት እቲ መካነ-እንስሳሳ ትሚሊ ረቡዕ ነቲ ወዲ ከናድዩ እንከለው ድማ፡ ብደም ዝመልኣ ሽክና-ርእሲን ገለ ኣዕጽምትን ዝተቐደ ክዳንን ረኺቦም። እቲ ዝተረኸበ ክዳን ናይቲ መንእሰይ ከምዝነበረ ኣዝማዱ ኣረጋጊጾም። እቲ ወዲ ሰሉስ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ፡ ንከብቲ ዝኸውን ሳዕሪ ክእከብ ከምዝወጸ ኣዝማድ እቲ መንእሰይ ንሰብመዚ እቲ ከባቢ ሓቢሮም። ቢላል ብኸመይ ከምዝሞተ ንምርግጋጽ፡ ሬስኡ ንዝያዳ መርመራ ናብ ካልእ ቦታ ተላኢኹ'ሎ።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51655493"} {"headline":"ሊብያ፡ ካብ ኣውስትራልያ ዝመጽኣ 3000 ኣግማል ካብ መጥቃዕቲ ድሒነን","content":"ኣስታት 3000 ካብ ኣውስትራልያ ዝኣተዋ ኣግማል፡ ኣብ ወደብ ርእሰከተማ ትሪፖሊ ምስ በጽሓ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ወደብ ናይ ሮኬታት መጥቃዕቲ ተኸፊቱ። እታ ከተማ፡ በቶም ክቆጻጸርዋ ካብ ምብራቓዊ ክፋል'ታ ሃገር ዝገስገሱ፡ ብጀነራል ካሊፋ ሓፍታር ዝምርሑ ሓይልታት ተኸቢባ፡ መጥቃዕቲ ክወርዳ ካብ ዝጅምር ሓያሎ ኣዋርሕ ኮይኑ'ሎ። ብውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቱርኪን ቐጠርን ዝድገፍ መንግስቲ ድማ ኣብታ ከተማ ብምዕስካር፡ ኣብ ምክልኻል ይርከብ። እተን ኣግማል፡ ናብ ሮቡዕ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ካብ ወደብ ትሪፖሊ ገስጊሰን፡ 45 ኪሜ ድሕሪ ምጉዓዝ ሓሙስ ኣብ ከተማ ዛውያ ኣትየን ኣለዋ። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ከም ዝሓበሮ፡ ገለ ካብኣተን ኣብ መንገዲ ተዘሚተን። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ 125 ኣግማል ኣብ ጫፍ ከተማ ትሪፖሊ ምስ በጽሓ ብዕጡቓት ተወሲደን። ቃፍላይ ኣግማል ብማእከል ርእሰከተማ ትሪፖሊ ክሓልፋ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ኣቓልቦ ብዙሓት ሰባት ዝሰሓበ ኮይኑ'ሎ። ሰብመዚ ኣውስትራልያ፡ ነተን ኣብታ ሃገር ብብዝሒ ዝተፋረያ ኣግማል በረኻ ንምቁጽጻር፡ ክቕተላ ምውሳኖም ኣብተን ኣግማል ብብዝሒ ዝርከባሉ ከም በዓል ሶማልያ ዝበላ ሃገራት ቁጠዐ ፈጢሩ ነይሩ'ዩ። ኣግማል፡ ኣብ ገለ ሃገራት፡ ንስጋን ጸባን ጥራይ ዘይኮነ፡ መግለጺ ሃብትን፡ ማሕበራዊ ደርብን ምዃነን ይፍለጥ።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51589980"} {"headline":"ሓደ ሰብኣይ ምስ ሓሙሽተ ኣግማሉ ካብ ባርዕ ሓዊ ድሒኑ","content":"ሓደ ውልቀሰብ፣ ምስ ከልቡን ሓሙሽተ ኣግማሉን ኣብ ኣውስትራልያ ካብ ዝነበረ ባርዕ ሓዊ ከምዝድሓኑ ፖሊስ ገሊፁ። ኣብ ቪክቶርያ ጥቓ ከተማ ጃሚሰን ኣብ ሓደ መኪና ዝነበረ ወዲ 38 ዓመት፡ ምስኡ ካብ ዝነበሩ እንስሳት እታ ሓንቲ ግመል ሸተት ኢልዎ። ብድሕሪኡ ነቲ ውልቀሰብ ሓዊሱ ብሓደ ተኣሲሮም ዝነበሩ እንስሳት፡ ተጎቲቶም ክወፅኡ ከምዝተገበረ ሰብመዚ ንቢቢሲ ገሊፆም። ዋላኡካ ዝተጎድአ እንተዘይሃለወ፡ ህይወት እቶም እንስሳትን እቲ ውልቀሰብን ንምድሓን ኣስታት ኣርባዕተ ሰዓታት ከምዝወሰደ ተገሊፁ። ኮማንደርን ምቁፅፃር ባርዕ ሓዊ ፖል ሆርቶን፡ \" እቲ ሰብኣይ ምስ ኣግማሉ ድሒኑ ኣሎ። ሓንቲ ግመል ብምውዳቓ፡ ኩሎም ተጎቲቶም ናብቲ ባርዕ ንክኣትዉ ምኽንያት ኮይኑ ነይሩ\" ኢሉ። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ከባቢ ሰዓት 15:00 ፡ ነቲ ከባቢ ጋሻ ዝኾነ ብምድዋሉ ፖሊስ ነቲ ኩነታት ክፈልጥ ከምዝኸኣለ ድማ ገሊፁ። ብድሕሪኡ ናብ ፖሊስ ቪክቶርያ ዝበፅሐ መልእኽቲ፡ ናብ ሰብመዚ ርእሰ ከተማ ኣውስትራልያ ካንበራ ስለዝተመሓላለፈ፡ ፖሊስ ነቲ ኩነታት ንምምርማር ሄሊኮፕተር ልኢኹ፡ ኢሉ ሆርቶን። ሰራሕተኛታት ህይወት ምድሓን፡ ነተን እንስሳት ናብ መኪና ንምድያብ መንጠልጥሎ ኣዳልዮም ኡካ እንተነበሩ፡ ግና ብዝመፅእኦ ብምሕዃር ናብ መፃምድተን ክፅንበራ ከምዝኽኣላ፡ ሆርቶን ሓቢሩ። \"ኣብ ዝሓለፈ ምሸት፡ ኩሎም ናብ ውሑስ ቦታ ተመሊሶም እዮም። ብሰላም ስለዝወዳእና ድማ ሕጉሳት ኢና\" ኢሉ። ካብ ሰሜናዊ ምብራቕ መልበርን 200 ኪሎሜትር ርሒቓ ትርከብ ገጠራዊት ከተማ ጃሚሰን፡ ናይ ሕርሻ ቦታ እያ። ኣብቲ ክልል ኣግማል ልሙዳት እንስሳት ዋላ እኳ እንተዘይኮና፡ ሓደ ሓደ ሓረስቶት ግና፡ ንፃባን ምህርትታት ኣጅቦ (ቺዝ) ይጥቀሙለን እዮም።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/52526830"} {"headline":"ኣብ ቦትስዋና ብዘይተፈልጠ ሕማም ኣማኢት ሓራምዝ ሞይቶም ተረኺቦም","content":"ኣብ ቦትስዋና ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ኣማኢት ሓራምዝ ክሳብ ሕጂ ምኽንያቱ ብዘይተፈለጠ ነገር ሞይቶም ብምርካቦም ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ። ዶክተር ኒያል ማክናን፡ ምስ መሳርሕቱ ኣብ ሰማያት ቦትስዋና ኣብ ኦካቫናዶ ደልታ ካብ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ ልዕሊ 350 ዝሞቱ ሓራምዝ ምርኣዮም ይገልጽ። እቶም ዝሞቱ ሓራምዝ ብምንታይ ምኽንያት ከምዝሞቱ ንምጽራይ መንግስቲ ቅምሶ እኳ እንተወሰደ እቲ ውጽኢት ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተነገረን ዘሎ። በዚ መሰረት ቦትስዋና ካብተን ሓራምዘን ብቅልጡፍ ዝጸንቱ ዘለዉ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ሳልሳይ ተርታ ተሰሪዓ ኣላ። ዶክተር ኒያል ማክናን ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ዝመደበሩ ኣብ ምዕቃብ ሃገራውያን ሕዛእቲ ዝነጥፍ ትካል ግበረሰሰናይ እዩ ዝሰርሕ። ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሓበሮ፡ እቶም ሓለውቲ ሕዛእቲ፡ ኣብ ኦካቫናዶ ደልታ ሞት ሓራምዝ ብብዝሒ የጋጥም ከምዘሎ ኣብ ወርሒ ግንቦት ንመንግስቲ ከምዝሓበሩ እዩ ዝሕብር። “ኣብ ናይ ሰለስተ ሰዓታት በረራ 169 ዝሞቱ ሓራምዝ ክቆጽሩ ክኢሎም፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰዓታት ክንድዚ ብዝሖም ዝሞቱ ሓራምዝ ክትርኢ ዘገርምን ዘሕዝንን ነገር እዩ” ድማ ይብል። ዶክተር ኒያል ማክናን ብምስዓብ “ድሕሪ ሓደ ወርሒ’ውን ካልእ ጉጅለ ናብቲ ከባቢ ተንቀሳቂሶ ቁጽሪ ዝሞቱ ሓራምዝ ልዕሊ 350 ምኳኑ ብዓይና መስኪራ መጺኣ” ይብል። ብምስዓብ “ምስ ድርቂ ምትሕሓዝ ብዘይብሉ ምኽንያት ኣብ ውሱን እዋን ክንድዚ ዝኣኽሉ ሓራምዝ ክሞቱ ዳርጋ ናይ ፈለማ ተርእዮ እዩ” ይብል። መንግስቲ ቦትስዋና እቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝተረኣየ ሞት ሓራምዝ ምስ ዘይሕጋዊ ሃድን ብምዝማድ’ዩ መግለጺ ሂብሉ፡ እንተኾነ እቶም ዝሞቱ ሓራምስ ኣቅርንቶም’ውን ስለዘይተወሰደ ብሃድን ከምዘይተቐተሉ ከም መረጋገጺ ክውሰድ ይከኣል እዩ። “ኣብቲ ከባቢ ካብቶም ኩሎም እንስሳ ዘገዳም ሓራምዝ ጥራይ እዮም ዝሞቱ ዘለዉ፡ ኣብቲ ቦታ ሃደንቲ ስሚ ነስኖሶም ኣለዉ ከይትብል ከኣ ካልእ ዝሞቱ እንስሳ የለዉን” ይብል ዶክተር ኒያል ማክናን። ዶክተር ኒያል ማክናን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ልዕሊ 100 ሓራምዝ ሞይቶም ምንባሮም ብምዝካር፡ ጠንቂ ሞቶም ምስማም ድዩ ሕማም ዝኾነ ምጽራይ ከምዘይተገበረሉ ይሕብር። እዞም ሞይቶም ዝተረከቡ ሓራምዝ መብዛሕትኦም ቁልቁል ኣፎም ናብ መሬት ዝተደፍኡ እዮም፡ እቶም ብህይወት ዘለዉ ኣካይደኦም ብምዕዛብ ጥንቂ ሞቶም ምስ ስነ-መትኒ ዝተሓሓዝ ክኸውን ከምዝኽእል’ዩ ዶክተር ኒያል ማክናን ዝሕብር። ዶክተር ኒያል ማክናን ጠንቂ ሞት እዞም ሓራምዝ ብንጹር ምፍላጥ ንብዙሕ ነገር ከምዝሕግዝ እዩ ዝሕብር “ብሕማም ይሞቱ ስለዘለዉ እቲ ሕማሞም እንታይ እዩ ምፍላጥ ንደቂ ሰባት ሓጋዚ እዩ፡ ሕማሞም ናብ ሰብ ክምሓላለፍ ዝኽእል እንተኮይኑ ንምግትኡ ክሕግዝ ይኽእል እዩ፡ እዚ ሕጂ ንዓለም ዘሸግራ ዘሎ ኮቪድ 19 እውን ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ተመሓላሊፉ እዩ ዝብሃል” ብምባል ስግኣቱ ይገልጽ። “ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ፡ ንዓለም እውን ዘስግእ ሕማም ክኸውን ድማ ተኽእሎ ኣለዎ” ይውስኽ ዶክተር ኒያል ማክናን። ዶክተር ሲሪል ራኣሎ ምክትል ዳይረክተር ናይ ቦትስዋና ምክትታል እንስሳ ዘገዳምን ምዕቃብ ሃገራዊ ሕዛእትን እዩ። ንሱ ምስ ጋርድያን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ክሳብ ሕጂ ሞት 280 ሓራምዝ ከምዘረጋገጹ ብምሕባር ናይቶም ዝተረፉ የጻርይዎ ምህላዎም ሓቢሩ። እንተኾነ ጠንቂ ሞት እዞም ሓራምዝ እንታይ ምዃኑ እንዶ ከምዘይብሉ ገሊጹ። ዶክተር ሲሪል ራኣሎ “ካብቶም ዝሞቱ ቅምሶ ወሲድና ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ሰዲድና ኣለና ኣብ ዝመጽእ ሳምንታት መልሲ ክመጽኣና ከኣ ንጽበ ኣለና” ኢሉ።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53260641"} {"headline":"\"መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘይገበርኩም ብዝብል ዝተኣሰሩ ይፈትሑ\" ኮሚሸን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ","content":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰታት ኢትዮጵያ እቶም ሎሚመዓልቲ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘይገብርኩም ብዝብል ዝተኣሰሩ ክፍትሑ ጸዊዑ። ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ረቡዕ ኣብታ ከተማ ብዘይ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝረኸቦም ሰባት ከምዝኣሰረ ተፈሊጡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ረቡዕ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከይገበሩ ዝተረኸቡ ሰባት ፖሊስ ኣብ ቀይዲ እናውዓሎም'ዩ። ነዚ ኣመልኪቱ ብማእኸናት ዜና እታ ሃገር ዝወጽኡ ዘለዉ ጸብጻባትን ናብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብዝበጽሑ ጥርዓናትን ዋና ኮሚሽነር'ቲ ኮሚሽን ኣይተ ዳንኤል በቀለ እቲ ስጉምቲ ትኽክል ከምዘይኮነ ሓቢሩ። \"ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምጥቃም ኣድላዪ ብምዃኑ ሕብረተሰብ ክተግብሮ ዝግበእ መምርሒ እዩ\" ክብል ተዛሪቡ። ኣስዒቡ ድማ \"ብርግጽ ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዝኾነ ሰብ ናብ ከም ዕዳጋ ዝበሉ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝወሃበሎም ቦታታት፣ ሹቓት፣ ህዝባዊ ኣገልግሎት መጓዓዝያን ካልኦት ህዝቢ ዝእከበሎም ቦታታትን ክኽይድ ከሎ ማሕበራዊ ምፍንታት [ኣካላዊ ምርሕሓቕ] ምዕቃብ ስለዘይከኣል መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀም ይገድድ እዩ\" ክብል ኣረዲኡ። እንተኾነ ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ነቲ መሸፈኒ ከይገበሩ ኣብ ዝርከቡ ሰባት ዝውሰድ ስጉምቲ ማእሰርቲ ግን ካብ ሕጊ ወጻኢ ከምዝኾነ ገሊጹ እቲ ኮሚሽነር። \"ካብዚ ብዝሰገረ ተመጣጣኒ ዘይኮነ ስጉምትን ነቲ ዝተሓሰበ ዕላማ ዝጻረርን ስለዝኾነ ብቕልጡፍ ደው ክብል ኣለዎ። በዚ ኩነታት ዝተኣሰሩ ሰባት ድማ ብቕልጡፍ ክፍትሑ ኣለዎም\" ኢሉ።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52653514"} {"headline":"ብጨና ዝተቐበረ ነታጒ ዘለሊ ኣንጭዋ፡ ወርቂ ሜዳለያ ተሸሊሙ","content":"ዝተቐብረ ነታጒ ብጨና ዘለሊ ኣንጭዋ ንዕውታት ስራሕቱ ወርቂ ሜዳሊያ ተሸሊሙ። እዚ 'ኣፍሪካን ፖችድ ራት' ብዝብል ሳይንሳዊ ሽም ዝፍለጥ ኣንጭዋ: ኣባል ናይቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ዓብዪ ዓሌት ኣንጭዋ እዩ። ማጋዋ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተቐቢሮም ዝነበሩ 39 ነተጉትን 28 ወተሃደራዊ ተባራዕቲ ነገራትን ቅድሚ ምፍንጃሮም ብጨና ኣለልዩ ኣብ ምምካን ሓጊዙ እዩ። በዚ ህይወት ብዙሓት ሰባት ከድሕን ስለ ዝክኣለ ጅግና ተባሂሉ ወርቂ ሜዳሊያ ንክሽለም በቒዑ። ትካል ገባሪ ሰናይ እንስሳታት ብሪጣኒያ 'ፒዲኤስኤ' ንማጋዋ እቲ ናይ ጅግንነት ሜዳሊያ ዝሸለሞ ኮይኑ፡ \"ሙሉእ ህይወትካ፡ ህይወት ሰባት ኣብ ምድሓን ስለ ዘሕለፍካ ክትምስገን ይግባእ\" ኢሉዎ። ብፍላይ ድማ ኣብ ካምቦዲያ ዝተቐበሩ ነተጉቲ ብጨና ኣለልዩ ብምርካብ ዓብዪ እጃም ከም ዘበርከተ ተገሊጹ። ኣብ ደቡብ ኤዥያ ኣብ እትርከብ ካምቦዲያ ክሳብ 6 ሚሊዮን ዝተቐበሩ ነተጉቲ ከም ዘለው ይእመን። ክሳብ ሕጂ እዚ ሽልማት ጅግንነት ካብ ሞንጎ ዝረኸቡ 30 እንስሳት ማጋዋ ናይ መጀመርታ ኣንጭዋ እዩ። እዚ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ኣንጭዋ ኣብ ቤልጅም ብዝተመዝገበ ኣብ ታንዛኒያ ዝርከብ ኣፖፖ ዝተባህለ ትካል እዩ ሰልጢኑ። እዚ ትካል ካብ 1990ታት ጀሚሩ ዝተቐበሩ ነተጉትን ዓባይ ሰዓልን ብጨና ኣለልዮም ዝፈልዩ ብዙሓት እንስሳት ከሰልጥኑ ጸኒሑ። እቶም እንስሳት ዝወስዱዎ ስልጠና ምስ ወድኡ መረጋገጺ ብቅዓቶም ዝኾነ ናይ ምስክር ወረቐት ይወሃቦም። በዚ ምኽንያት ኣፖፖ'ውን ብሽልማት ማጋዋ ኩርዓት ከም ዝተሰምዖ ገሊጹ። እቲ ትካል ከም ዝብሎ እቲ ኣንጭዋ ኣብ ታንዛኒያ ተወሊዱ ዝዓበየ እዩ። እዚ 1.2 ኪሎ ግራም ዝምዘን ኣንጭዋ ቁመቱ 70 ሴንቲ ሜትር እዩ። ማጋዋ ኣብ ውሽጢ 20 ደቒቕ ክንዲ ሜዳ ቴኒስ ዝኸውን መሬት ኣጫንዩ ዝተቐበረ ነታጒ ኣሎ'ዶ የለን ዝብል የረጋግጽ። ሓደ ሰብ ከምዚ ዓይነት ስራሕ ንምስራሕ ብውሑድ 4 መዓልቲ ከም ዝወስደሉ ይግለጽ። ማጋዋ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መዓልቲ ን30 ደቒቕ ጥራሕ ዝሰርሕ ኮይኑ ጡረታ ዝወጽአሉ ዕድመ ይቐርብ ኣሎ።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54292859"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሓካይም ካብ ከብዲ ላሕሚ 50 ኪሎ ፕላስቲክ ኣውጺኦም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ፡ ቦረና ኣብ ዝበሃል ዞባ፡ 6 ሓካይም እንስሳ፡ ካብ ከብዲ ናይ ሓንቲ ላሕሚ፡ 50 ኪሎ ግራም ዝምዘን ፕላስቲክ ኣወጊዶም። ካብቶም ሓካይም ሓደ ዝኾነ፡ ዶ\/ር ፍራኦል ዋቆ፡ ድሕሪ እቲ መጥባሕቲ “እታ ላሕሚ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት እያ ትርከብ” ኢሉ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ዶክተር ፍራኦል፡ ከፍቲ ዝብላዕ ሳዕሪ እንድሕር ስኢነን፡ ፕላስቲክ ክበልዓ ይኽእላ እየን ይብል። በዚ ምኽንያት ድማ፡ ሰባት ዝተጠቐምሉ ፕላስቲክ ዝድርብይሉ ኣገባብ፡ ንጥሪት ሓደጋ እናኾነ ይመጽእ ከምዘሎ ይዛረብ። ወናኒ ናይታ ላሕሚ ዝኾነ፡ ኣቶ ኣሬሪ ጨሪ፡ ቅድሚ ሕዚ’ውን ፕላስቲክ ዝበልዐት ካልእቲ ላሕሚ ናብ ሕክምና ወሲዱ 20 ኪሎ ግራም ክውገደላ ከምዝተገብረ ተዛሪቡ። “ቅድሚ ሕዚ ስለዝሓገዝናዮን ስለዝኣመነናን እዩ ንካልኣይ ግዜ ነዚኣ ሒዝዋ መፂኡ ዘሎ” ኢሉ ዶክተር ፍራኦል። ህዝቢ ቦረና፡ ኣርባሕቲ እንስሳት ኮይኒም፡ ናብረኦም ኣብ እንስሳት ዝተመርኮዘ እዩ።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53542855"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ እንስሳ ዘገዳም ኣፍሪቃ ንዘይሕጋውያን ሃደንቲ ተቓሊዖም","content":"ንእንስሳታት ዘገዳም ኣፍሪቃ ኣብ ምዕቃብ ዝነጥፍ 'ታስክ' ዝተባህለ ትካል ግብረ ሰናይ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመት ኣጋጢምዎ ዘይፈልጥ ሕጽረታት ኣጋጢምዎ ከም ዘሎ ገሊጹ። እቲ ትካል፡ ካብ ወለንታውያን ሓገዝቱ ክረኽቦ ዝነበሮ 2 ሚልዮን ዶላር ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ከም ዝኸሰረ ኣባል እዚ ማሕበር ዝኾነት ቻርሊ ማይሄው ንቢቢሲ ሓቢራ። ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብተዛማዲ ውሑዳት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት'ኳ እንተሃለዉ ጽላት ቱሪዝም ግን ብኸቢድ እዩ ተሃስዩ። ኣብ ኣፍሪቃ ኣስታት 4 ሚልዮን ሰባት ኣብ ምዕቃብ እንስሳ ዘገዳም፡ ኣብ ምምራሕ መንገዲ በጻሕቲ ዓድን ሆቴላትን ይሰርሑ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዙሓት ካብ ስራሕ ደው ኢሎም ስለዘለዉ ግን ኣብ ልዕሊ እንስሳ ዘገዳም ዝግበር ዘይሕጋዊ ሃድን ክስስን ከምዝኽእል እዩ ዝሕበር። ካብ ቱሪዝም ዝርከብ ኣታዊታት ፍርቁ ነቲ ንእንስሳ ዘገዳም ንምዕቃብ ዝወጽእ ውጻኢታት ከምዝሽፍን እትሕብር ቻርሊ ማይሄው ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ጽላት ቱሪዝም ኣፍሪቃ ብኸቢድ ተጸልዩ ስለ ዘሎ፡ እንስሳ ዘገዳም እዛ ኣህጉር ንሓደጋ ተቓሊዖም ምህላዎም ትሕብር። ኣብቲ እንስሳ ዘገዳም ዘለዉዎ ዝንቀሳቐሱ ዝነብሩ በጻሕትን መራሕቶምን፡ ኣብቲ ከባቢ ዘይሕጋውያን ሃደንቲ ከይስስኑ ተራ ከም ዝነበሮም ይግለጽ። ኣብዚ ሕጂ አዋን ግን እቶም ሃደንቲ ነቲ ዘይሕጋዊ ስርሖም ብዘይስክፍታ ከካይድዎ ባይታ ከምዝጣጣሓሎም እዩ ዝሕበር።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/52564117"} {"headline":"ደዃኩን ብሪጣንያ፡ ብኣህባይ ዝተኣርየ ፍረ ኮኮናት ኣይንቕበልን ይብላ","content":"ገለ ፍሉጣት ደዃኩን (ሱፐር ማርኬታት) ዓዲ-እንግሊዝ ዘለወን ናይ ኮኮናት ማይን ዘይትን ይጉሕፋ ኣለዋ። ስለምንታይዶ ኢልኩም? እቲ ፍረ ኮኮናት ብኣህባይ ስለዝተኣርየ ብዝብል’ዩ። ሓደ ብ’ፔታ’ ዝፍለጥ ተጣባቒ መሰል እንስሳታት ማሕበር ከምዝበሎ፡ እተን ኣህባይ ካብ ተፈጢሮኣዊ ማሕድሮአን ተታሒዘን፡ ኣብ መዓልቲ 1000 ፍረ ኮኮናት ከም ዝኣርያ ዝሰልጠና’የን ክብል ይኸስስ። ኣብ ታይላንድ ዝርከባ፡ ጭራ ሓሰማ ዘለወን ‘ማካኲስ’ ተባሂለን ዝፍለጣ ኣህባይ ከም “ኮኮናት ዝኣርያ ማሽነት” ከም ዘገልግላ እቲ ጉጅለ ይገልጽ። እዚ ባህ ዘይበሎም፡ ከም ብዓል ‘ወይትሮስ’፡ ‘ኦካዶ’፡ ‘ኮ-ኦፕ’ ከምኡ’ውን ፋርማሲ ‘ቡትስ’ ዝበሉ ዓበይቲ ኣከፋፈልቲ ነቶም ብኮኮናት ታይላንድ ዝተሰርሑ ፍርያት ምዕዳግ ደው ከብሉ ወሲኖም ኣለዉ። ሓደ ካብ ዓበይቲ ናይ ኣስቤዛ ደዃኩን ዝኾነ ‘ሞሪሶንስ’ ብወገኑ፡ ድሮ ነቲ ካብ ኮኮናት ዝፈረየ ኣቚሑቱ ኣልዩዎ ከም ዘሎ ሓቢሩ። ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ንድሕነት እንስሳታት ብዘለና ፖሊሲ መሰረት፡ ረሃጽ ኣህባይ ዝፈሰሶ ፍርያት ከይንዕድግ ምሒልና ኢና” ኢሉ። ‘ኮ-ኦፕ’ (Co-op) ብወገኑ፡ “ሞራል ዘለዎ ኣከፋፋሊ ከም ምዃንና መጠን፡ ቀማማት ናይቲ እንሸጦ ፍርያት ዕዮ ኣህባይ ዝተሓወሶ ክኸውን ኣይንፈቅድን ኢና” ኢሉ። ትማሊ ዓርቢ፡ ተጣባቒት ዕቃበ ተፈጥሮ ዝኾነት መጻምድቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ዝኾነት ካሪ ሲሞንድስ፡ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ ኩለን ኣከፋፈልቲ ነቲ ብኣህባይ ዝተኣርየ ጥረ-ነገራት ዝስራሕ ፍርያት ክሕሰምኦ ጸዊዓ ነይራ። ካልኦት ተመሳሰልቲ ትካላት’ውን፡ ነቲ ዝተባህለ ፍርያት የጻርይኦ ከም ዘለዋ ብምግላጽ፡ ውሳነ ክወስዳ ምዃነን ሓቢረን። ‘ቴስኮ’ (Tesco) ግን፡ “እቲ ንሕና እንሸጦ ናይ ኮኮናት ማይን ጸባን ዕዮ ኣህባይ ዝተሓወሶ ኣይኮነን” ክብል ገሊጹ’ሎ። ‘ኣብያተ-ትምህርቲ ኣህባይ’ እቲ ጉጅለ ተጣባቒ እንስሳ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ታይላንድ፡ ኣብ 8 ሕርሻታት፡ ኣህባይ ነቲ ንወጻኢ ዝለኣኽ ኮኮናት ንምእራይ ከምዝሽቅላ ይገልጽ። ተባዕትዮ ኣህባይ፡ ነፍሲወከፎም ኣብ መዓልቲ 1000 ኮኮናት ክኣርዩ ከም ዝግደዱ’ውን ፔታ ይዛረብ። ሓደ ሰብ ግን ኣብ መዓልቲ 80 ኮኮናት ጥራይ’ዩ ክኣሪ ዝኽእል ድማ ይብል። እቶም እንስሳታት ፍረታት ምእራይ ዝስልጥንሉ ‘ኣብያተ-ትምህርቲ ኣህባይ’ ከም ዝረኸበ’ውን ገሊጹ። እቶም ኣህባይ፡ ንበጻሕቲ ንምዝንጋዕ፡ ብሽክሌታታት ምዝዋርን ኲዕሶ ሰኪዔት ምጽዋትን ከም ዝስልጥኑ’ውን ፔታ ሓቢሩ። “ኣብዘን ማእከላት ዘለዉ፡ መብዛሕትኦም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣብ ዕሸሎም እንከለዉ ዝተታሕዙ እንስሳታት፡ ክቱር ጸቕጢ ከምዝሓለፉ ዘርኢ ባህርያት ኣርእዮም” ኢሉ። እቶም ኣህባይ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ከምዝግበረሎም ጭብጥታት ከምዘለዎ’ውን እቲ ጉጅለ ይጠቅስ። እቶም ክናኸሱ ይኽእሉ’ዮም ዝተባህሉ ኣህባይ፡ ኣስናኖም ከይተረፈ ከም ዝንቀል ሓበሬታ ረኺበ ይብል። “ፔታ፡ ጭዋታት ሰባት ነቲ ካብ ኮኮናት ታይላንድ ዝስራሕ ፍርያት ብምሕሳም፡ ንዕዮ ኣህባይ ክነጽጉ ይጽውዕ።”","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53291126"} {"headline":"80 ኪሎሜትር ተጓዒዛ ኣብ ናይ ቀደም መንበሪ ገዛ ዋናታታ ዝተረኽበት ከልቢ","content":"ቅድሚ ሓደ ወርሒ ካንሳስ ካብ ዝተብሃለ ግዝኣት ኣመሪካ ዝርከብ መንበሪኣ ተሰዊራ ንዋናታታ ከተሻቕሎም ዝቐነየት ከልቢ፡ ኣብ ካልእ ግዝኣት ኣብ ናይ ቀደም መንበሪ ገዝኦም ተረኺባ። ናይ ቀደም መነበሪ ዋናታታ፡ ካብቲ ሕጂ ዝነብሩሉ 50 ማይል ወይ ልዕሊ 80 ኪሎሜትሮ ርሒቑ እዩ ዝርከብ። እዛ ክልዮ እናተብሃለት እትጽዋዕ ከልቢ ዕድሚኣ ኣርባዕተ ዓመት ኮይኑ፡ ካብ 2 ሓምለ ጀሚራ ናበይ ከምዝተሰወረት ኣይተፈልጠን ነይሩ። ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲታት ግን፡ ኣብ ኣፍደገ እቲ ናይ ቀደም ገዘኦም ተራእያ-ተባሂሉ። ዋና እቲ ገዛ ዝኾነ ኮልቶን ሚካኤል፡ ንመራኸብቲ ብዙሃን ከምዝበሎ፡ ናብዚ ገዛ ካብ ዝቕይሩ ዳርጋ ክልተ ዓመት ኮይኑዎም ኣሎ። እታ ከልቢ፡ ዝኾነ ሰብ ክጽግዓ ትቑጣዕ ከምዝነበረት'ውን ይገልጽ። \"ናይ ቀደም ገዝኣ ብትኽክል እያ ዘኪራቶ። እንተኾነ ኣብቲ ገዛ ካልኦት ሰባት እዮም ዝነብሩ ዘለው። እዚ፡ ኣዝዩ ዘፍርሕ ክስተት እዩ\" ክብል ንሓደ መደበር ቴሌቪዥን ተዛሪቡ። ማይክሮቺፕ እናተብሃለ ዝጽዋዕ ጥረ ነገር ኣብ ውሽጢ ኣካላታ ተሰኲዑ ተረኺቡ። እቲ 'ቺፕ' እታ ከልቢ ኣበይ ከምዘላ ዝሕብር እዩ። ዝጨነቖ ሚካኤል፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን 'ከልቢ ዝረኣኹም ዓይንኹም ይብራህ' ዝብል ምሕጽንታ ኣብ ፌስቡክ ዝለጠፈ ሰብ ከም ዝነበረ ዘኪሩ። በዓልቲቤቱ ንሚኪኤል ወናኒ ገዝኦም ዝነበረ ስም ምስቲ ኣብቲ ቺፕ ዝነበረ ኣመሳኺራቶ። ድሪው ዝተባህለት ወናኒት እታ ከልቢ 'ተረኺባ' ምስተብሃለት ዝተሰማዓ ሓጎስ ካብ መጠን ንላዕሊ ከምዝኾነ ንሲ-ኤን-ኤን ተዛሪባ። \"እዚ ዝገርም ዛንታ እዩ። ብፍላይ ንዓይን ንኣደይን ኩሉ ነገርና እያ\" ኢላ። ክልዮ፡ ካብ ገዛ ናብ ገዛ 50 ማይልስ እያ ተጓዒዛ። ካብ ከባቢ ካንሳስ ዝበሃል ግዝኣት፡ ሚዙሪ ናብ ዝበሃል እያ ከይዳ። ብመኪና ዝተጨናነቑ ጽርግያታትን ሩባታትን ጠሓሒሳ ከይዳ ዝበለ ሚካኤል፡ 'ከመይ ኢላ እዚ ኹሉ ሽግር ሓሊፋ ኣብዚ ከምዝበጽሓት ክትሓስቦ ዘገርም'ዩ' ኢሉ።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53461895"} {"headline":"ኣብ ቅድሚ በጻሕቲ ብድቢ ተነኺሱ ዝተቐትለ ሰራሕተኛ መካነ-እንስሳ ቻይና","content":"ኣብ ቻይና፡ ሓደ ሰራሕተኛ መካነ-እንስሳ ሻንግሃይ፡ ኣብ ቅድሚ በጻሕቲ ብድቢ ከም ዝተቐትለ ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ኣብቲ መካነ-እንስሳ ዘገዳም ሻንግሃይ ኣብ ዝርከብ፡ \"ማሕድሮ ኣራዊት በረኻ\" ዝተባህለ ክፋል'ዩ ተፈጺሙ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ ኪምዘርእዮ፡ ኣብ ኣውቶቡስ ተሰቒሎም ነቶም ድቢ ክርእዩ ዝመጹ በጻሕቲ ክውጭጩ ይስምዑ። ሰብመዚ ናይቲ መካነ-እንስሳ፡ ንቤተሰብ እቲ ግዳይ ይቕሬታ ብምሕታት፡ ድሕነት ሰራሕተኛታት ንምውሓስ ምምሕያሽ ክገብሩ ምዃኖም ቃል ኣትዮም። እቲ ትካል በቲ \"ዘስካሕክሕ ሓደጋ ኣዝዩ ከም ዝሓዘነ\" ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። ነቶም ነቲ ዘሕዝን ፍጻመ ዝተዓዘቡ በጻሕቲ'ውን ይቕሬታ ሓቲቱ'ሎ። ብሰንኪ'ዚ፡ እቲ መካነ-እንስሳ ንግዚኡ ተዓጽዩ ምህላዉ ብምግላጽ፡ በጻሕቲ ትኬቶም ከም ዝተመልሰሎምን፡ ውሕስነት ንምርግጋጽ ድሮ ኣድላዪ ለውጥታት ገይሮም ከምዘለዉን ተዛሪቡ። እቲ ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ሓያሎ ድቢታት ኣብ ሓደ ቦታ ክእከቡን እቶም ኣብ ውሽጢ ኣውቶቡስ ዝነበሩ በጻሕቲ እውዩን ዘርኢ እዩ። ሓደ ሰብ ኣብቲ ቪድዮ \"ሓደ ሰብ ኣሎ ኣብኡ\" ክብል ይስማዕ። ኣብቲ፡ በጻሕቲ ኣብ ውሽጢ መኪና ኮይኖም ጥራይ ክዕዘቡ ዘፍቅድ መካነ-እንስሳ፡ እቶም እንስሳታት ብናጽነት ክንቀሳቐሱ ይራኣዩ። እቲ ፍጻመ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ቀልጢፉ ስለዝተላበዐ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት መካነ-እንስሳታት ክትዕ ኣለዓዒሉ ይርከብ። ገለ ወሃብቲ ርእይቶ፡ እቶም እንስሳታት፡ ባህሪ እንስሳ ዘገዳም ከም ዘርኣዩ ብምግላጽ፡ እቲ ፍታሕ ንመካነ-እንስሳታት ብምዕጻዉ፡ ናጽነቶም ክረኽቡ ምግባር'ዩ ኢሎም። ካልኦት ብወገኖም፡ እቲ መካነ-እንስሳ ውሕስነት ዘይብሉ ምጽንሑ ብምኹናን፡ ምስቶም ነቲ ዘስካሕክሕ ፍጻመ ብዓይኖም ዝራኣዩ በጻሕቲ ተደጋናጊጾም። ኣብ ቻይና፡ ሰራሕተኛታት ብእንስሳታት ክብልዑ ልሙድ ኣይኮነን፡ ዋላ'ኳ ሓሓሊፉ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕትታት ዘጋጠም እንተኾነ። ኣብ 2017፡ ኣብ ሓደ ተመሳሳሊ መካነ-እንስሳ ቻይና፡ ንመምርሒ ሰብመዚ ዕሽሽ ብምባል መስኮት መኪናኡ ኣውሪዱ እናተዓዘበ እንከሎ፡ ብድቢ ተነኺሱ ከምዝነበረ ይግለጽ።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54605725"} {"headline":"ሓደ ሕንጻይ፡ ንዋንኡ ካብ ባርዕ ኣድሒንዎ","content":"ሓደ ኣውስትራልያዊ፡ ለይቲ ብድቅሱ ኣብ ገዝኡ ባርዕ ምስ ተላዕለ ዘዕበዮ ሕንጻይ (ፓፓጋሎ) ካብ ድቃሱ ኣበራቢሩ ካብ ሞት ከም ዘድሓኖ ሓቢሩ። እዚ ኣብ ኵንስላንድ ዝነብር ኣንቶን ንጉየን ዝተባሃለ ኣውስትራልያዊ ናብ ሮቡዕ ኣብ ዘውገሐ ለይቲ፡ ከቢድ ድቃስ ጸቂጥዎ እንከሎ ኣብቲ ብዓል ክልተ ደርቢ ገዝኡ ባርዕ ሓዊ ከምዝተላዕለ ይጠቅስ። \"ደቂሰ እንከለኹ ኤሪክ (ስም እቲ ሕንጻይ) ዝፈጠሮ ገልጠምጠም ሰሚዐ፡ ነዚ ስዒቡ ኤሪክ ዓው ኢሉ ክጽውዓኒ ጀሚሩ ድሓን ድዩ ኢለ ምስ ተበራበርኩ ትኪ ክጨንወኒ ጀሚሩ” ብምባል ኣንቶን ንጉየን ንኤቢሲ ሓቢሩ።። ብምስዓብ “ብድሕሪ እዚ ንኤሪክ ብኢደይ ሒዘ ማዕጾ ከፊተ ወጺአ፤ ደገ ወጺአ ምስ ርኣኽዎ ኣብ ዳሕረዋይ ሸነኽ ናይ ገዛይ ባርዕ ይውስኽ ነይሩ” ኢሉ። ሰራሕተኛታት ምጥፋእ ሓዊ ሰዓት ሓደ ናይ ለይቲ ናብ ቤት ኣንቶቢ ንጉየን ምስ በጽሑ እቲ ባርዕ ኣዝዩ ተጓሃሂሩ ከም ዝጸንሖምን ምሉእ ንምሉእ ንክቆጻጸርዎ ልዕሊ ሓደ ሰዓት ከም ዝወሰደሎም ተሓቢሩ። ኣንቶን ንጉየን ኣብቲ ገዛ ንበይኑ ዝነብር ዝነበረ ኮይኑ፡ ካብቲ ባርዕ ሳላ እቲ ሕንጻይ ዘበራበሮ ብዘይ ዝኾነ ጉድኣት ከም ዝወጽአ ንፖሊስ ሓቢሩ። እቲ ቀጠልያ ሕብሪ ዘለዎ ሕንጻይ፡ ንኣንቶን ንጉየን ካብ ድቃሱ ንምብርባር ብተደጋጋሚ ‘ኣንቶን’ እናበለ ይጽውዕ ምንባሩ ኢንስፔክትር ምክልኻል ሓደጋታት ኵንስላንድ ካማሮን ቶማስ ገሊጹ። እቲ ኢንስፔክትር ብምስዓብ “እቲ ገዛ ኣብ ውሽጡ ዝኾነ ባርዕ ወይ ትኪ ምስ ዝልዓል ምልክት ዝህብ መሳርሒ ኣለዎ። እዚ ሕንጻይ ግን ቅድሚ እቲ መሳርሒ ድምጺ ምግባሩ እዩ ንዋንኡ ኣተሲኡዎ” ኢሉ።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54806495"} {"headline":"ኣውስትራልያ፡ ንምምሕዳር ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብ ከልተ ዝገመዐ እንስሳ ዘገዳም","content":"መንግስቲ ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ 'ኮዋላ' ተባሂሎም ዝፅውዑ እንስሳት ዘገዳም ብኸመይ ሓለዋ ንግበረሎም ኣብ ዝብል ክሰማምዑ ብዘይምኽኣሎም፡ ኣብ ክልተ ከምዝተኸፈሉ ተገሊፁ። ናብ መሓውር መንግስቲ ኣብ ቀረባ ግዘ ዝተፀምበረ ብሄራዊ ሰልፊ፡ ብሰንኪ እቲ ምሕደራዊ ቅልውላው መንግስቲ ዘቕርቦም ፖሊሲታት ከምዘይቕበል ኣፍሊጡ ኣሎ። ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ መንግስቲ ንኮዋላታት ዝቐረበ ፖሊሲ ስለዝቃወም እዩ ኢሉ። ምክትል ሓላፊ እቲ ሰልፊ ጆን ባሪላሮ፡ \"ንሕና ኣንጻር ኮዋላ ኣይኮናን\" ብምባል፡ ሓገግቲ ሕጊ ካብ ሕጂ ንደሓር ምስ ኣባላት ውድብ ሊበራል ኣብ ባይቶ ክእከቡ ከምዘይደልዩ ገሊፁ። እዚ ጭቕጭቕ፡ ኣብ ሲድኒ ሄራልድ \"ናይ ኮዋላ ኩናት\" ዝብል ስያመ ከምዝተዋህቦን፡ ቀንዲ መንቀሊኡ ድማ፡ ምስቲ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ታሕሳስ ዘፅደቖ ፖሊሲ ሓለዋ ከባቢ ዝዛመድ እዩ። እዚ ሕጊ ኮዋላታት ንምሕብሓብን ንምሕላውን፡ ከምኡ እውን ከባቢኦም ምቹእ ንምግባር ዝዓለመ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ቅልጡፍ ስጉምቲ እንድሕር ዘይተወሲዱ፡ ኣብ 2050 ኮዋላታት ካብ ምድሪ ክጠፍኡ ከምዝኽእሉ ተገሊፁ ነይሩ። እንተኾነ ምክትል ሓላፊ እቲ ውድብ ጆን ባሪላሮ፡ እቲ ፖሊሲ ንኮዋላታት ካብ ምውሓስ ሓሊፉ፡ ዜጋታት ንካልእ ፀገም ክቃልዑ ዝገብር እዩ ኢሉ። ሰፊሕ መሬት ዘለዎም ሰባት፡ መሬቶም ብኸመይ ከመሓድሩ ከምዝግባእ ክነግር ዝፍትን እዩ ብምባል ድማ ነቒፉ። እቲ ፖሊሲ ምስ ኮዋላ ዘራኽብ የብሉን ዝበለ ጆን ባሪላሮ፡ \"ኣብቲ ዞባ ንዝርከቡ ሰብ ዋና መሬት ንምጥቓዕ ዝዓለመ እዩ። እዚ ብሄራዊ ሰልፊ ብዝሒ ኮዋላታት ክውስኽ እዩ ዝደሊ። ንሕና ፀረ ኮዋላ ኣይኮናን\" ኢሉ። ይኹን'ምበር ፖለቲከኛታት ሰልፊ ሊበራል፡ እዚ ስጉምቲ ግቡእን ንማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ዝድግፍን ምዃኑ ገሊፆም። ገለ ተሓለቕቲ ሓለዋ ከባቢ ድማ፡ እቲ ዘሎ ናይ መንግስቲ ፖሊሲ፡ እንስሳታት ንምውሓስ እኹል ኣይኮነን ብምባል ይካትዑ።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/54128763"} {"headline":"ተፈጥሮ፡ ብሕጂ ክንሪኦም ዘይንኽእል ዓሌታት እንስሳ","content":"ዝጸነቱ ዓሌት እንስሳ ኣብ እንሓስበሉ እቲ ቀዲሙ ኣብ ኣእምሮና ዝመጽእ ዳይኖሰር ክኸውን ይኽእል እዩ፡ እነተኾነ ተመራመርቲ ስነ እንስሳ፡ ኣብ ዓለም ዓመታዊ ልዕሊ 10000 ዓሌታት እንስሳ ከምዝጸንቱ እዮም ዝሕብሩ። 30 ሕዳር ብደረጃ ዓለም ንዝጸነቱ ዓሌታት እንስሳ ዝዝከረላ መዓልቲ ኾይና፡ ኣብዛ መዓልቲ ካብዛ ዓለም ጸኒቶም ዝተብሃሉ ግን ዳግማይ ዝተረኸቡ ዓሌታት እንስሳ እውን ዝዝከሩላ መዓልቲ እያ። እዚ ዓሌት እንስሳ እዚ ኣብ 1978 ኣብ ገማግም ዛንዚባር ምስ ተራእየ ብድሕሪኡ ስለዘይተራኣየ ጸኒቱ ተባሂሉ ተቐቢጹ ዝነበረ እዩ። እዚ ሕጂ ኣብ ዶባት ጋናን ኣይቮሪኮስትን ዝተረኸበ ዓሌት ቀያሕቲ ዋልድሮን ኮሎቦስ ምስ ዓሌት ኣህባይ ዘመሳስል ቅርጺ ኣቃውማን ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣጻብዕቲ ዓባይ ዓባይቶ የብሉን። ዶልፊን ፈለግ ኣንግተዝ (ቻይና) እዚ ኣብ ፈለግ ያንግተዝ ናይ ቻይና ዝርከብ ዓሌት ዶልፊን፡ ኣብ ጽሩይ ማይ ካብ ዝነብሩ ዝገደመ ኣጥባዊ እንስሳ ኮይኑ ኣብ 2006 ከም ዝጸነተ ተኣዊጅሉ። እዚ ዶልፊን እዚ ካብቶም ኣብ ጨዋም ማይ ዝርከቡ ዓሌታት ዶልፊን ኣብ ዝባኑ ብዘሎ ሞንጉድ ዝፍለ ኮይኑ፡ ብተፈጥርኡ ነገራት ኣብ ምልላይ ኣዝኡ ሓያል ምንባሩ እውን ይፍለጥ። ኣብ ካባቢኡ ዘሎ ምንቅስቃስ ናይ ነብሲ ወከፍ ተንቀሳቃሲ ኣካል ስለዘላሊ፡ ኣብቲ ፈለግ ዝነቀሳቀሳ ዓሳ ዝገፋ ጀላቡን፡ ሰብ ዘመላልሳ ዓበይቲ መራኽብን ብከላን ጠንቂ ምጽናቱ ምኳኖም ይእመን። 'ሲል' ካሪብያን ( ኣብ ጀማይካን ኒካራጓን) እዚ 'ሲል' ካሪብያን ቅድሚ ዓመታት ኣብ ወሽመጥ መክሲኮ፡ ምብራቓዊ ገማግም ማእከላይ ኣሜሪካን፡ ሰሜናዊ ክፋል ደቡብ ኣሜሪካን ዝረአ ዝነበረ ዓሌት እዩ። እንተኾነ ካብ ስብሖም ዝርከብ ነዳዲ ንምርካብን ንመግብን ሰባት ብብዝሒ ክሃድንዎም ስለዝጀመሩ ቁጽሮም ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናነከየ ከይዱ። ኣብ 1952 ኣብ ዶባት ጀማይካን ኒካራጓን ምስ ተራእየ ብድሕሪኡ ስለዘይተረኣየ፡ ዝጸነተ ተባሂሉ ተመዝጊቡ ኣሎ። 'ዶዶ' (ሞሪሽየስ) ዶዶ ካብ ዝጸነቱ ዓሌታት ኣዕዋፍ እታ ኣዝያ ዝተፈለጠት ዓሌት ኮይና፡ ፍጥረታ ካብ እዋን ዳይኖሰራት ኣትሒዙ ከምዝነበረ እዩ ዝእመን። ሰባትን ስጋ ዝምገቡ ዓይነታት እንስሳን ናብ ሞሪሽየስ ምስ ኣተዉ ዶዶ ግዳይ ሃደን እዞም እንስሳታት ክትከውን ስለዝጀመረት ኣብ መጀመርታ 1700ታት ምስ ተራኣየት ምሉእ ንምሉእ ጸኒታ። ስቴለር ላም ባሕሪ(ኣብ ሞንጎ ሩስያን ኣላስካን (ኣሜሪካ)) እዚ ቁመቱ ክሳብ ትሽዓተ ሜትሮ ክበጽሕ ዝኽልእ እንስስ ባሕሪ፡ ሳዕሪ ባሕሪ እዩ ዝምገብ። ጣዕሚ ስግኡ ልክዕ ከብ ስጋከብቲ ብምኳኑ ግዳይ ሃገድ ዝኾነ እዚ እንስሳ፡ ካብ 1741 ጀሚሩ ከም ጽኑት ተመዝጊቡ ይርከብ። እዚ እስሳሳ እዚ ምስ ኣድጊ በረኻ ዘመሳስል ቅርጽን መልክዕን ዘለዎ ኮይኑ መልክዕ ጠንቂ ምጽናቱ ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ። እዚ ከም ኣድጊ በረኻ ጸሊምን ብናዉን ሽራጥ ሽረጥ ዘለዎ እንስሳ፡ መልክዑ ንሃደንቲ ኣቓሊዕዎ እዩ፡ ኣብ 1880ታት ምስ ተራእየ ብድሕሪኡ ኣይተራኣየን።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50683015"} {"headline":"ነብሪ ጎልጎል ኢትዮጵያ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ሃገራት ዓረብ ብብዝሒ ይሽየጡ ኣለዉ","content":"በዓልመዚ ልምዓትን ሓለዋን እንስሳታት ዘገዳም ኢትዮጵያ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ውላድ ነብሪ ጎልጎል (ዓርዓር ነብሪ) ብዘይሕጋዊ መገዲ ብብዝሒ ናብ ወጻኢ ሃገራት ይሰጋገሩ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ። እዞም ዓይነት እንስሳታት ዘገዳም ብሕቡእ ካብ ዝሰጋገሩለን፡ እተን ዝበዝሓ ሃገራት ዓረብ እየን። ደቂ እዘን ሃብታማት ሃገራት ልክዕ ከም ናይ ገዛ እንስሳ ከምዝጥቀሙሎም ይግለጽ። ኢትዮጵያ፡ ነብሪ ጎልጎል ወይ 'ቺታህ' ብዝብል ዝፍለጥ ዓሌት ነብሪ ዝኾነ እንስሳ ዘገዳም ብብዝሒ ካብ ዝርከቡለን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኮይና፡ ካብ 10-15 ሽሕ ከምዘለውዋ ይግመት። በዓል መዚ ልምዓትን ሓለዋን እንስሳታት ዘገዳም ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ቁጽጽር እንስሳታትን ውጽኢታቶምን ኣይተ ዳንኤል ጳውሎስ፡ ኣብዚ እዋን ቁጽሪ እቶም ብሕቡእ ካብ ሃገር ዝወጽኡ ኮራኹር ነብሪ ይውስኽ ከምዘሎ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። \"ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ካብ ኢትዮጵያ ምስወጽኡ ኣብ ሶማሊላንድ ሃርጌሳ ይተሓዙ። ምስተትሓዙ ድማ ምልውዋጥ ሓበሬታ ንገብር ኢና። \"ካብ ኢትዮጵያ ምስወጽኡ ብብዝሒ ናብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ'ዮም ዝውሰዱ። ኣብተን ሃገራት ዝለዓለ ጠለብ ኮራኹር ነብሪ ጎልጎልን ኣንበሳን ኣሎ\" ኢሉ። እቲ ብዓልመዚ ከምዝበሎ ኣብ ኢትዮጵያ እቶም ዝበዝሑ ነብሪ ጎልጎል ኣብ ክልል ሶማሌ ይርከቡ። ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ድማ ነዞም እንስሳት ብዘይሕጋዊ መገዲ ብምስግጋር ከምዝሕትት ኣይፈልጥን ነይሩ ይብል። \"ኣብዚ እዋን ግን ቁሩብ እናተገንዘበ መጺኡ'ሎ። ነቲ ሕጊ ምስፈለጡ ግን ብሕቡእ ከሰጋግሩ እዮም ጀሚሮም። \"እቲ ዘሰጋግሩሉ መገዲ ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝረቐቐ እዩ። ሓደ ንምጥቃስ፡ ኣብ ናይ በዓል 20 ሌትሮ ጀሪካን ኣርባዕተ ኮራኹር ሓቢኦም ብድሬዳዋ ናብ ሶማሌ ከሰጋግሩ ተታሒኦም'ዮም\" ክብል ኣረዲኡ። ሕጊ ኢትዮጵያ ነዞም እንስሳታት ዘገዳም ከሰጋግር ዝተረኸበ ሰብ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ክእሰሩ ከምዝድንግግ ዝሓበረ ኣይተ ዳንኤል፡ ክሳብ 30 ሽሕ ብር መቕጻዕቲ ኣለዎ ኢሉ። እዚ ሕጊ ጥቡቕ ብዘይምዃኑ ግን ምምሕያሽ እናተገበረሉ እዩ። ኣብቲ ከባቢታት ዝርከቡ ኣካላት ኣብ ምቁጽጻር ከምዘለዉ ዝገለጸ ኣይተ ዳንኤል፡ ኣብ ዝተፈላላየ ቦታታት ናይ ጉምሩክ ኬላታትን ፈደራል ፖሊስን ተዋፊሮም ከምዘለው ገሊጹ። ኣብ ርሑቕ ከባቢታት'ውን ምስ ሰራዊት ምክልኻልን ፖሊስ ክልልን ተሓባቢሮም ከምዝሰርሑ ኣብሪሁ። ኣይተ ዳንኤል ከምዝበሎ፤ ነብሪ ጎልጎልን ውላድ ኣንበሳን ብምብራቓዊ ክፋል ኢትዮጵያ ኣቢሎም'ዮም ዝሰጋገሩ። ነዚ ንምቁጽጻር ድማ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ሓበራዊ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ የረድእ። ንምዃኑ ክንደይ ነብሪ ጎልጎል ካብ ኢትዮጵያ ብሕቡእ ይወጽኡ ዝብል ሕቶ ንኣይተ ዳንኤል ኣቕሪብናሉ። \"ኣብ ወርሒ ብውሕድ ክሳብ ኣርባዕተ ኮራኹር ነብሪ ጎልጎል ክሰጋገሩ ይተሓዙ እዮም። እዚ ኣብቲ ከባቢ ከም ሓደ ንግዲ ስለዝቑጸር ኣብ ገለ እዋናት ብስፍሓት'ዩ ዝፍጸም። ንሓደ ኩርኩር ካብ 10 ክሳብ 15 ሽሕ ብር ዝሸጡሉ ኩነታት ኣሎ\" ዝብል መልሲ ሂቡ። ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ኣብዚ ቕነ ዝተወሰኑ ኣሰጋገርቲ ነብሪ ጎልጎል ኣብ ቀይዲ ዘእተዉ ኮይኖም፡ እቶም እንስሳታት ዘገዳም ድማ ብብዝሒ ካብ ኢትዮጵያ ከምዝውሰዱ ይግለጽ።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51153171"} {"headline":"\"ብዙሓት ሰባት ኣብ ኢትዮጵያ ሓርማዝ ኣሎ ድዩ ይብሉኒ\"","content":"ግሬታ፡ ካብ ኢትዮጵያዊት ኣደን ጣልያናዊ ኣቦን ዝተወለደት ተሓላቒት ከባቢ","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48803915"} {"headline":"ኣብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ጸምሪ ዝነበሮ ኣውስትራልያዊ በጊዕ ሞይቱ","content":"ኣብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ጸምሪ (ጨጒሪ በጊዕ) ከም ዝነበሮ ዝፍለጥ ኣውስትራልያዊ በጊዕ ብሰሉስ ሞይቱ። እቲ 'ክሪስ' ተባሂሉ ዝፍለጥ በጊዕ፡ ኣብ 2015 ናይ 6 ዓመት ዝኣክል ጸምሪ ተሰኪሙ ኣብ በረኻ ክንቀሳቐስ ድሕሪ ምርኣዩ፡ ዓለም ኣዛሪቡ ነይሩ። ንሓደጋ ኣቃሊዕዎ ዝነበረ ጸምሪ ምስ ተቐምቀመ ድማ፡ 41.1 ኪሎ ግራም ኮይኑ ምጽንሑ፡ ክብረወሰን ክሕዝ ኣኽኢልዎ'ዩ። ጠንቂ ሞቱ፡ እርጋን ምዃኑ ሓደ ኣብቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ኣብ ዞባ ኒው ሳውዝ ዌልስ ዝርከብ ሕርሻ ዝኣልዮ ዝነበረ ሰብ ተዛሪቡ። \"ነቲ ሽኮር፡ ለባምን ፈቃርን ትንፋስ ምስኣንና ልብና ተሰቢሩ ይርከብ\" ሊትል ሮክ ሳንክቹዋሪ ዝተባህለ ማሕድሮ እንስሳ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ጽሒፉ። እቲ ወዲ 10 ዓመት ምዃኑ ዝንገረሉ ክሪስ፡ ከምኡ ዝበሉ፡ 'መሪኖ' ዝተባህሉ ዓይነት ኣባጊዕ ብሂወት ዝጸንሕሉ ንውሃት ዕድመ ዝነበሮ'ዩ ተባሂሉ'ሎ። እቲ በጊዕ፡ ኣብ በረኻ ምስ ተረኽበን፡ ናብ ውሑስ ቦታ ምስ ተወስደን፡ ብዙሓት ኣፍቀርትን ደገፍትን ኣፍርዩ'ዩ። እቲ ሸፊንዎ ዝነበረ ጸምሪ፡ ዳርጋ 5 ዕጽፊ ናይ ኣካሉ ብምንባሩ፡ ኣብ ጥዕንኡ ጸገም ከምጽኣሉ ከም ዝኽእል ተሓለቕቲ መሰላት እንስሳ ተዛሪቦም ነይሮም። ድሒሩ ግን፡ በቲ ፍሉጥ ቻምፒዮን ምቕምቃም ጸምሪ ዝኾነ ኢያን ኢልኪንስ፡ ከም ዝቕምቀም ተጌሩ። ኢልኪንስ፡ ኣብ 35 ዓመታት ናይ ምቕምቃም ተሞክሮኡ ከምኡ ዓይነት ኣጋጢምዎ ከም ዘይፈልጥ ተዛሪቡ። ብኣሚኢት ዝቑጸሩ ኣውስትራላውያን ንክሪስ ብሞግዚነት ክወስድዎ ሓቲቶም ምንባሮም'ውን ይፍለጥ። እቲ ልዕሊ 41 ኪሎ ዝምዘን ጸምሩ፡ ኣብ ሃገራዊ ቤተመዘክር ኣውስትራልያ ንምርኢት ቀሪቡ። ናይ ስእሊ መጽሓፍ'ውን ተሓቲሙሉ'ዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ክሪስ ኣብ ደሓን ጥዕና ከም ዘሎ ዘርኢ ስእሊ ምዝርግሑ ንብዙሓት ተስፋ ዝሃበ'ኳ እንተነበረ፡ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ግን፡ እቲ ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ፡ ሎሚ ካብዛ ዓለም ተሰናቢቱ። ብዙሓት ኣፍቀርቱ ድማ ሓዘኖም ይገልጹ ኣለዉ።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50144415"} {"headline":"እንስሳ፡ ጉዳይ ድሕነት ሓራምዝ ኣብ ዋዕላ ምዕቃብ ኣከባቢ ዓብላሊ ክኸውን`ዩ","content":"ኣብ ኣፍሪቃ 19 ሃገራት ኣንጻር ዘይሕጋዊ ሃደን ሓራምዝ ክምክታ ከለዋ፡ ሓሙሽተ ድማ ሕጋዊ ሃደን ሓርምዝን መሸጣ ስኒ ሓርማዝ ክፍቀድን ይጠልባ። እቲ ሎሚ ኣብ ጄኔቫ ዝጅምር ዋዕላ ኣከባቢ፡ ብዛዕባ ምዕቃብ ኣካባቢ ክዝቲ'ዩ'ኳ እንተተብሃለ፡ ጉዳይ ድሕነት ሓራምዝ ግን ዓብላሊ ኣርእስቲ ክኸውን ከም ዝኽእል ተፈሊጡ። ካብ 180 ሃገራት ዝመጽኡ ወከልቲ፡ ኣብቲ ኣህጉራዊ ንግዲ ኣንጻር ንጽንታ ዝተቓልዑ እንስሳታት ዝዝቲ ዋዕላ ክካፈሉ ኢዮም። ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ ተኣጊዱ ዝነበረ ንግዲ ስኒ ሓርማዝ ዳግም ክፍቀድ ጸቕጢ ክገብራ ኣየን ይብሃል። በንጻሩ፡ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሓራምዝ ዝግበር ምክልኻል ብዝለዓለ ደረጃ ክቕጽል ይጠልቡ ኣለው። እቲ ድሕሪ ነፍሲ-ወከፍ ሰለስተ ዓመት ዝካየድ ኣህጉራዊ ዋዕላ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ሲሪላንካ ክካየድ ተመዲቡ ነይሩ። እንተኾነ ድሕሪ`ቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ሲሪላንካ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ቦምባ፡ ናብ ስዊዘርላንድ ከም ዝቕየር ተገይሩ። ካብቶም ዝተታሕዙ ዛዕባታት ድማ ብዛዕባ`ቶም ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ሃደን [ፖቺንግ] ቁጽሮም ኣዝዩ ዘንቆልቁል ዘሎ ሓራምዝ ኣፍሪቃ፡ ብኸመይ ክግታእ ከም ዝኽእል ክኸውን ተስፋ ተነቢርሉ ኣሎ። ኣብ 2016 ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ዓመት ካብ 30 ስጋብ 40 ሽሕ ሓራምዝ በቶም ዘይሕጋዊ ሃደን ዘካይዱ ሰባት ብምቕታሎም፡ ብገምጋም ቁጽሪ ሓራምዝ ኣብዚ እዋን ኣስታት 40,000 ይበጽሑ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ሓራምዝ እቲ ዝድለ ምክልኻል ስለ ዝግበረሎም፡ መሸጣ ስኒ ሓርማዝ ፍቓድ ድሕሪ ምሕታት ኢዩ ዝካየድ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዋዕላ፡ ዛምቢያ ዋላ`ኳ ውሑዳት ሓራምዝ ይሃልዋ፡ ከም ብዓል ቦትስዋና፣ ናሚብያን ዚምባብወን ስኒ ሓርማዝ ብሕጋዊ መንገዲ ክሸጣ ክፍቀደለን ክሓታ እየን። ኬንያ፣ ናይጀርያን ጋቦንን ዝርከብወን ሃገራት ድማ እቲ ንግዲ ስኒ ሓርማ ክኽልከል ይጠልባ። ካብዚ ብምብጋስ፤ ሰራሕተኛ ሓደጋ ጽንታ ንዘንጸላልዎም እንስሳታት ዝጣበቕ ውድብ ቬራ ዌበር፡ \"ኣብዚ ናይ ሎሚ ዋዕላ ጉዳይ ሓርምዝ እቲ ቀንዲ መዛተዪ ዛዕባ ኢዩ ክኸውን'ዩ ኢላ። \"እቲ ቅድሚ 30 ዓመታት፡ ኣብ 1989 ዝሓለፈ ወሳነ ሓራምዝ ካብ ጽንታ ኣድሒንዎም። ሓሙሽተ ሃገራት ጥራይ እየን ንግዲ ስኒ ሓርማዝ ክፍቀድ ዝጠልባ ዘለዋ። ካልኦት 32 ሃገራት ግና ድሕነት ሓራምዝ ክረጋገጽን እገዳ መሸጣ ስኒ ሓርማዝ ድማ ክጸንዕን እየን ዝጠልባ\" ኢላ ቬራ ዌበር። \"ድምጺ-ኣልቦ ጽንታ\" ዋል`ኳ ጉዳይ ሓርማዝ ኣብቲ ዋዕላ ዓብላሊ ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ እንተኾነ፡ ጉዳይ ዘራፍ [ጂራፍ] ሻርክን ሓርሽን ከምኡ`ውን ገለ ጽንታ ዘንጸላልዎም ዓይነት ተኽልታትን ኣግራባትን`ውን ኣብቲ ዋዕላ ክልዓሉ ትጽቢት ይግበረሎም። ገለ ሰብ ሞያ ኣከባቢ ብዛዕባ እተን ብዘይድምጺ ዝጸንታ ዘለዋ ዘራፍ ብዙሕ ይግደሱ። ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት፡ ብሰንኪ ምብራስ ዱርን ዘይሕጋዊ ሃደንን ኲናትን መሸጣ ገለ ኣካላት እተን ዘራፋትን፡ ቅጽረን ብ40 ሚኢታዊት ከንቆልቁል ጸኒሑ። ንፈልማ ኣዋን እዚ ብጉዳይ ጽንታ ዘንጸላለዎም እንስሳታት ዝጣበቕ ዋዕላ ድሕነት ዘራፋት ኣመልኪቱ እማመታት ከቕርብ ኢዩ ይብሃል። ዋላ`ኳ ብጭቡጥ እቲ ቁጽሪ ናተን ዝጸነታ ዘራፋት ኣይፈለጥ ድኣ`ምበር፡ ኣሜሪካ ካብ 2006-2015 ኣስታት 40,000 ኣካላት ዘራፋት ናብ ዕዳጋ ከም ዝቐረበ ገሊጻ። ብዝኾነ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዋዕላ፡ ጉዳይ ሻርክ`ውን ኣዛራቢ ኣርእስቲ ክኸውን ኢዩ ይብሃል። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዙሓት ዓጋዘን ብሕማምን ዘይሕጋዊ ሃደንን ስለ ዝተሃስዩ፡ ብዛዕባ መሸጣ እቶም ኣብ ሩስያ፣ ሞንጎልያን ካዛኪስታንን ዝርከቡ ብሳይጋ ዝፍለጡ ዓጋዘን`ውን ጥቡቕ ምቁጽጻር ክግበር`ውን ጠለብ ክቐርብ ኢዩ ይብሃል። እቲ ካልእ ኣቓልቦ ዝስሕብ ዘሎ ጉዳይ ድማ ኣቲ ብእስራኤል ዝቐረበ፡ ንግዲ ስኒ ናይቶም ንሓራምዝ ዝመስሉ 'ብማሞዝ' ዝፍለጡ እንስሳታት ምእጋድ ኢዩ።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49381424"} {"headline":"ናይ ኣባል ዓረና ትግራይ ዝኾና 13 ኣጣል ከም ዝተኣሰራ ተገሊፁ","content":"ብ22 ነሓሰ 2011 ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ፡ ብሓደ ኣባል ፖለቲካዊ ውድብ (ሰልፊ) ዓረና ዝውነና 16 ኣጣል ከምዝተኣሰራ ዝገልጽ ሓበሬታ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሞድያ ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ። ኣቦ ወንበር ዓረና ትግራይ፡ ኣይተ ኣብርሃ ደስታ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ብሓደ ኣባሎም ዝውነና 16 ኣጣል ኣብ ወረዳ ቆላ ተምቤን ንኡስ ወረዳ ወርቂ ኣምባ፡ ከም ዝተኣሰራ ንቢቢሲ ገሊፆም። • “ነዚ ድየ ተጋዲለ?” በዓልቲ ዲግሪ ሸያጢት ቆሎ ተጋዳሊት ህወሓት • \"ሕጊ ገበርቲ ሰናይ ብሰንከይ ዝወጽአ ይመስለኒ\" ተጋዳሊት ኣረጋሽ ኣዳነ ወናኒ እዘን ኣጣል ዝኾኑ ኣይተ ዜናዊ ኣስመላሽ ድማ ኣብቲ ወረዳ ኣጣል ብምርባሕ እዮም ናብርኦም ዝመርሑ፤ 16 ኣጣሎም ከምዝተኣሰራን፡ ካብተን ዝተኣሰራ እተን ሰለስተ ኣምሊጠን፡ ናብ ገዝአን ከምዝተመለሳ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም። ኣቦወንበር ዓረና ኣይተ ኣብርሃ ደስታ፡ ኣይተ ዜናዊ ኣባል ዓረና ትግራይን ኣብ ወረዳ ቆላ ተምቤን ኣተሓባባሪ እቲ ውድብን ከምዝኾኑ ብምግላፅ፡ ኣይተ ዜናዊ ኣስመላሽ ቅድሚ ሕዚ እውን ከምዝተኣሰሩን፤ ብተደጋጋሚ ናይ 'ክንቀትለካ ኢና' ምፍርራሕ ይበፅሖም ከምዝነበረ ተዛሪቦም። ኣይተ ዜናዊ፡ ኣባል ውድብ (ሰልፊ) ዓረና ትግራይ ብምዃኖም ኣጣሎም ከምዝተኣሰራ እዮም ዝኣምኑ። እዚ ጥራሕ ኣይኮንን ኣባል እቲ ውድብ ብምዃኖም ተዳጋጋሚ ምፍርራሕ መቅተልቲ ከምዝበፅሖም እውን ብምረት ገሊፆምልና። ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ከባቢ ሰዓት ሸውዓተ ኣብቲ ከባቢ ብዘምህር ውልቀ ሰብ ተኾኪበን፡ ኣብ መንበሪ ገዛ ምልሻ እቲ ከባቢ ከምዝተኣሰራ፡ ኣብቲ ዕለት ኣጣል ይጓስዩ ካብ ዝነበሩ ሰባት ምስመዖም ተዛሪቦም። ኣቦወንበር እቲ ውድብ ኣይተ ኣብርሃ ደስታ እውን፡ እተን ኣጣል ኣብ ሓደ ናይቲ ከባቢ ምልሻ ኣብ መንበሪ ገዛ ምእሳረን ሓበሬታ ከምዘለዎም ገሊፆም። ሓረስታይ ዜናዊ \"ኣጣለይ ተወሲደናኒ\" ኢሎም ናብ ፖሊስ ዋላ እኳ ጥርዓን እንተቕረቡ፡ \"ካብ ኣባልነት ዓረና ክትወፅእ ኣለካ፡ እንተዘይኮይኑ ግን ኣጣልኻ ኣይወሃባኻን\" ዝብል መልሲ ከምዝተውሃቦም ኣይተ ኣብርሃ ሓቢሮም። ኣይተ ዜናዊ ብወገኖም፡ \"እቲ ጉዳይ ኣብ ፌስቡክ ከይድካ ከምዝበተንካዮ፡ እቲ መፍትሒ አውን ኣብኡ ድለዮ\" ዝብል ደረቕ መልሲ ከምዝተውሃቦም ነጊሮምና። እዚ ሓበሬታ ክወፅእ ብምግባሮም እውን ስዒቡ ክመፅእ ዝኽእል ስጉምቲ \"ንህይወቶም ከምዘስግኦም\" ተዛሪቦም። ኣቦወንበር ዓረና ትግራይ ኣይተ ኣብርሃ ደስታ፡ ኣብ ኣባላቱ ተመሳሰሊ ግፍዒ እንክፍፀም፡ እዚ ፈላማይ ከምዘይኾነ ገሊፆም። ቅድሚ ሕዚ እውን ናይ ሓደ ኣባሎም ካብ ሞንጎ ዝኾና ላሕምታት እተን ክልተ ብዝተተኮሰ ጥይት ከምዝተቐተላ ኣዘኻኺሮም። ካብዚ ብተወሳኺ ቅድሚ ሕዚ ኣይተ ክብሮም ናይ ዝተብሃለ ኣባሎም፡ እንስሳት ተኣሲረን ከምዝነበራን፤ እቲ ውልቀሰብ ናብ ፖሊስ ከይዱ ቅረታ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን ፡ \"ካብ ኣባልነት ዓረና ውፃእ\" ከምዝተብሃለ ተዛሪቦም። ናይዚ ተግባር ተሓታትቲ ኣመራርሓ ህወሓት ከምዝኾኑ ዝገለፁ ኣይተ ኣብርሃ፡ \"እዚ ውሳነ ካብ ህወሓት ከምዝወፅእ ንፈልጥ ኢና\" ኢሎም። እቶም ኣመራርሓ ምስ ዓረና ትግራይ ንምዝርራብ ድሉዋት ስለዘይኾኑ ድማ፡ እቲ ጉዳይ ናብ ክሲ ከምዝወስድዎ ኣይተ ኣብርሃ ደስታ ንቢቢሲ ገሊፆም። ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ ወረዳ ቆላ ተምቤን ንኡስ ወረዳ ወርቂ ኣምባ ጣብያ ቀይሕ ተኽሊ ኣዛዚ ፖሊስ ጣብያ ናብ ዝኾኑ ሓጋዚ ኢንስፔክተር ፍስሃ ኣብርሃ ደዊልና። ጉዳይ እተን ተኣሲረን ዝበሃላ ኣጣል ሓበሬታ እንተለዎም ምስ ሓተትናዮም፡ \"ብኣካል ናብ ቤት ፅሕፈትና እንተዘይመፂእኹም፡ ክንዘራረብ ኣይንኽእልን\" ዝብል መልሲ ሂቦምና። ኣብዚ ጉዳይ ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ፡ ናብ ሓለፊት ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ፣ ናብ ወሃቢ ቃል ውድብ ህወሓት ተደጋጋሚ ፈተነ እንተገበርና እውን፡ ስልኮም ስለዘየልዕሉ ክሰምረልና ኣይከኣለን።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49527788"} {"headline":"ሊል በብ፡ ኣብ ኢንተርነት ሚሊዮናት ሰዓብቲ ኣለውዋ","content":"ሓንቲ ካብተን ኣብ ኢንተርነት ህቡባት ዝኾና ደማሙ ሊል በብ፡ ኣብ ሸሞንተ ዓመታ ሞይታ። ዋና እዛ ድሙ ማይክ ብሪዳቭስኪ፡ ትማሊ ሞት እዛ ድሙ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዘርጊሑ። ሊል በብ፡ ልሙድ ብዘይኮነ ኣፈጣጥርኣ እትፍለጥ፡ ከበብቲ ኣዒንትን ንደገ ዝወጽአ መልሓስን ነይሩዋ። ንድክዳኸ ሓዊሱ ብዙሓት ስሩዓት ዘይኮኑ ጸገማት ጥዕና ሒዛ'ያ ተወሊዳ። እዛ ድሙ፡ ኣብ ረድኤት እንስሳ ኣብ ዝሰርሐትሎም እዋናት 700 ሽሕ ዶላር ገንዘባዊ ሓገዝ ኣተኣኻኺባ'ያ ይብል ማይክ። \"በብ፡ ኣብ ጉዳይ እንስሳን ህይወት ሚሊዮናት ሰባትን ለውጢ ክፈጥር ዝኽእል ዓብዪ ስራሕ እያ ሰሪሓ\" ክብል ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኢንስተግራም ጽሒፉ። ሊል በብ ብዘለዋ ፍሉይ ኣፈጣጥራ'ያ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ተፈላጥነት ረኺባ። ሙሉእ ዕድሚኣ ድማ ዕዋል ድሙ መሲላን ደኽዲኻን ኣሕሊፋቶ። ኣብ ክልቲኡ ከብዲ እግራ ተወሳኺ ኣጻብዕቲ እግሪ ነይሩዋ፣ ዘይዓበየ ምንጋጋ እንክህልዋ ኣስናን ስለ ዘይብላ፡ መልሓሳ ኩል ግዜ ንደገ ምስ ወጽአ እዩ። ምስ'ዚ ኩሉ ጸገማት ግን ሕጉስትን ጥዕይትን ኮይና ከም ዝሓለፈት ዋንኣ ማይክ ብሪዳቭስኪ ተዛሪቡ። ማሕበራዊ ሚዲያ እዛ ድሙ፡ ኣብ 2011 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] እዩ ተኸፊቱ። ናይ ባዕላ ዩ-ትዩብን ተኸታታሊ ሰነዳዊ ምድላዋትን'ውን ነይሩዋ። በቲ ዝረኸበቶ ህቡብነት ተጠቒሙ ድማ፡ ኣብ ኣሜሪካ ንዘለው ፍሉይ ሓገዝ ንዘድልዮም ደማሙ ዝውዕል ምግባረ ሰናይ ንምስራሕ እቶት ናይ ምትእኽኻብ ስራሕ ሰሪሓ። ቅድሚ ምሟታ፡ ሊል በብ ብናይ ዓጽሚ ረኽሲ ተጠቒዓ ነይራ። ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ጥዕና ኮይና ግን፡ ኣብ ኢንስተግራም ንዘለው 2.4 ሚሊዮን ሰዓብታ ጠፊኣቶም ኣይትፈልጥን። ዋንኣ ብሪዳቭስኪ ግን ትማሊ፤ እታ ድሙ ደቂሳ እንከላ ከም ዝሞተት ሓቢሩ። ብዙሓት ሰባት ድማ ብሞት እታ ድሙ ዝተሰምዖም ሓዘን ክገልጹ ውዒሎም።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50640384"} {"headline":"ኬንያ፡ ኣእዱግ ሓደጋ ምጽናት ኣንጸላልዩዎም","content":"ብዝሒ ኣእዱግ ኬንያ ብቅልጡፍ የንቆልቁል ከም ዘሎን ናይ ምጽናት ተኽእሎ ከም ዘለዎን ተገሊጹ። 'ኣፍሪቃ ኔትዎርከ ፎር ኣኒማል ወልፌር' ዝተባህለ ኣብ ናይሮቢ ዝመደበሩ ትካል ከም ዝገለጾ፡ ኣብ ኬንያ ኣእዱግ ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት እዮም ዝርከቡ። ኣብ 2016 ኣርባዕተ ትካላት ማሕረዲ ኣእዱግ ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ኣብታ ሃገር መዓልታዊ ኣስታት 410 ኣእኡግ ይሕረዱ። ናይዚ ምኽንያት ድማ ነቲ ካብ ቻይና ዝመጽእ ዘሎ ልዑል ጠለብ ቆርበት ኣእዱግ ንምምላእ ኢዩ። በዚ መሰረት ቆርበት ናይዞም ዝሕረዱ ኣእዱግ ንሰደድ ናብ ቻይና ኢዩ ዝልኣኽ። እቲ ጽብጻብ ከም ዘነጽሮ ብዝሒ ኣእዱግ ኬንያ ካብ 900 ሽሕ ክሳብ 1.8 ሚልዮን ይበጽሕ። እዚ ናይ ሕጂ ጸብጻብ፡ ሰባት ኣእዱጎም ይስረቁ ከም ዘለዉ ይኸሱ ከም ዘለዉ ብቢቢሲ ዝቐረበ ጽብጻብ ኣራጊድዎ ኣሎ። ሐደ ሓላፊ ናይ ትካል ማሕረዲ ግና \" ብቻይናውያን ሕጉሳት ኢና። ቅድሚ ሕጂ ካብ ኣድጊ ዝርከብ ረብሓ ኣይነበረን፡ ሕጂ ግን ብዙሓት ሰባት ይርብሑ ኣለዉ\" ይብል። እቲ መጽናዕቲ ዘካየደ ትካል ግና፡ ኣብ ኣእዱግ ዝምርኮሱ ሕብረተሰባት ኣዝዮም ከም ዝተሃስዩን እቲ ናይ ማሕረዲ ማእከላት ክዕጾ ከም ዝደልዩን እዩ ዝገልጽ።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49123837"} {"headline":"ኣብ ሕዛእቲ ቃፍታ ሸራሮ ዝኣተወ ሕማም እንስሳ ዘገዳም ይቐትል ኣሎ","content":"ኣብ ሕዛእቲ ቃፍታ ሸራሮ ዝኣተወ ሕማም፡ ንእንስሳ ዘገዳም ይቐትል ኣሎ። በዚ ሕማም፡ ብብዝሒ ተጸልየን ዘለዋ እንስሳት ዓጋዘን እየን። ዛጊት ቁጽሪ ናይተን ዝሞታ ዓጋዘን ኣይተፈልጠን። ብርክት ዝበላ ሓሚመን ምህላወን፡ ገለ ድማ ከም ዝሞታ ግን ናይቲ ሕዛእቲ በዓል ሞያ ኣይተ ሃፍቶም ሓጎስ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። እቲ ሕማም ኤፍኤምዲ ዝበሃል ምዃኑ ዝገለጸ ኣይተ ሃፍቶም፡ ንእንስሳት ዘቤት እውን ዘጥቅዕ ሕማም ምዃኑ ይዛረብ። በዚ ሕማም ዝተጠቅዓ እንስሳታት፡ ኣብ ከባቢ እዝነነን መቐመጨአንን ቆሲለን ይረኣያ። \"እዝነንን መቐመጭአንን ይቖስል ኣሎ። ዝሞታ እንስሳት ዓጋዜን'ውን ኣለዋ። ሓኪምን መድሃኒት ዝወሃበሉ ኩነታትን የለን። እቲ ኩነታት ኣዝዩ ዘስግእ'ዩ\" ኢሉ ኣይተ ሃፍቶም። ኣብቲ ሕዛእቲ ዝበጽሐ ናይ ቢቢሲ ትግርኛ ሪፖርተር እውን ዝሓመመት ዓጋዘን ርእዩ እዩ። እታ ዓጋዘን፡ እዝና ቆሲላን ንምንቅስቓስ ተጸጊማን ተዓዚቡ። እቲ ሕዛእቲ ንጥዕና እተን እንስሳት ዝከታተል ሓኪም ስለ ዘይብሉ ድማ ሻቕሎት ፈጢሩ'ሎ። ሕዛእቲ ቃፍታ ሸራሮ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝርከብ ኮይኑ፡ ኣስተት 200 ሽሕ ሄክታር ስፍሓት ከም ዘለዎ ሰብ ሞያ ይገልጹ። ኣብቲ ሕዛእቲ፡ ሓራምዝን ዓጋዘንን ብብዝሒ ይርከብዎ። ኣስታት 42 ዓይነት መጥበውቲ እንስሳት፡ 200 ዓሌት ኣዕዋፍን 9 ዓይነት ለመምታ እንስሳትን ከም ዘለው ኣይተ ሃፍቶም ይዛረብ። እንተኾነ፡ ኣብዚ ሰሙን ብዝተፈላለየ ኣንፈት እቲ ፓርክ ዝተልዓለ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ፡ ኣብ ልዕሊ እጽዋትን ካልኦት ትሕዝቶታትን እቲ ፓርክ ጉድኣት ከም ዘብጽሐ ይፍለጥ። እቲ ብሰኑይ ኣጋምሸት ብሸነኽ ኣደባይ ዝተልዓለን ክሳብ ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ዝቐጸለን ባርዕ፡ 1,500 ሄክታር እቲ ሕዛእቲ እንተቃጽል፡ ትማሊ ኣጋግዘ ምጥፋእን ምቁጽጻርን ከም ዝተኽኣለ ተገሊጹ'ዩ። ይኹን'ምበር፡ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ብኣንፈት ዓዲ ጎሹ ባርዕ ተላዒሉ። እዚ ባርዕ እውን ጸኒሑ ከም ዝጠፍአን፡ ካብቲ ናይ ኣደባይ ንዝወሓደ እዋን ስለ ዝጸንሐ፡ ጉድኣቱ እውን ዝነኣሰ ከም ዝኾነ እዮም ሰብመዚ እቲ ፓርክ ንቢቢሲ ገሊጾም። ኣብዚ ሕዛእቲ በብእዋኑ ሓደጋ ባርዕ የጋጥም። ገለ እዋናት \"ዳርጋ ፍርቂ እቲ ሕዛእቲ\" ከም ዝቃጽል ይግለጽ። እንተኾነ፡ ኣብቲ ሕዛእቲ ኩሉሻብ ስግኣት ባርዕ ኣሎ። ብፍላይ ድማ ባርዕ ኣጋጢሙ እንተጸኒሑ፡ ኣብ ዓበይቲ ኣግራብ ዝጸንሐ ዘይጠፍአ ሓዊ መሊሱ ካልእ ባርዕ ናይ ምልዓል ተኽእሎ ኣለዎ። ሕዛእቲ ቃፍታ ሸራሮ ሓጹር የብሉን። ብዝሒ ነቲ ሕዛእቲ ዝሕልዉ 'ስካውት' እውን ምስ ስፍሓቱ ክነጻጸር ከሎ ውሑድ እዩ። እዚ ብፌደራል መንግስቲ ዝመሓደር ሰፊሕ ሕዛእቲ፡ ብኣስታት 68 ሰብሞያ እዩ ዝመሓደር። ጸገም ከጋጥም ከሎ፡ ናይቲ ከባቢ ምሊሻ ንሓገዝ ይኣቱ። ናብቲ ሕዛእቲ፡ ጓሶት፣ ዓደንቲ ወርቂን መፍሐምቲን ይኣትው እዮም። መንቀሊ ናይቲ ባርዕ፡ እዞም ናብቲ ሕዛእቲ 'ሕጊ ጥሒሶም' ዝኣትዉ ሰባት ከምዝኾኑ ሰብሞያን ነበርቲ ናይቲ ከባብን ይዛረቡ። እቲ ኣብ ቀረባ መዓልታት ዝተልዓለ ባርዕ፡ ኣብ ኣግራብ ናይቲ ሕዛእቲ ንዝርከብ መዓር ክብርብሩ ሓዊ ዘሳወሩ ጓሶት ዘልዓልዎ ከምዝኾነ፡ ኣይተ ሃፍቶም ይገልጽ። ናብቲ ሕዛእቲ በጻሕቲ ዓዲ ይመጽኡ ዶ? ሕዛእቲ ቃፍቶ ሸራሮ፡ ምስ ኤርትራ ዝዳወብ እዩ። በቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሐ 'ዘይሰላማዊ' ኩነት ድማ ቁጽሪ በጻሕቲ ተገዲቡ ምጽንሑ ኣይተ ሃፍቶም ይገልጽ። ካብ ግዜ ናብ ግዜ ግን፡ ቁጽሪ በጻሕቲ ይመሓየሽ ኣሎ እዩ ዝብል። እንተኾነ፡ እቲ ሕዛእቲ ንበጻሕቲ ብዝጥዕም መልክዑ ኣይተዳለወን። ክረምትን ሓጋይን ከገልግል ዝኽእል መገዲ እኳስ ገና ሕዚ እዩ ይህነጽ ዘሎ። ርክብ ቴሌፎን፡ ሕዚ'ውን እንተኾነ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕዛእቲ ኣይሰርሕን። እዚ ኮይኑ ግን፡ ኣብቲ ሕዛእቲ ዘሎ ሃፍቲ 'ቆጺርካ ኣይውዳእን' ይብሉ ደቂ ዓዲ። ቃፍታ ሸራሮ፡ ብእንስሳ ዘገዳም ጥራይ ዘይኮነስ፡ 'ብብዝሃ ህይወት' እውን ሃፍታም ምዃኑ ሰብሞያ እቲ ሕዛእቲ ይገልጹ።","category":"መሰላት እንስሳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50338957"} {"headline":"200 ሚልዮን ዶላር ዘውጽእ ሓሽሽ ዝጸዓነት መኪና ምስ ፖሊስ ብምግጫዋ ተቓሊዓ","content":"ኣብ ሲድኒ ኣውስትራልያ፡ ኣብ ከባቢ መደበር ፖሊስ ደው ኢላ ንዝነበረት ናይ ፖሊስ መኪና ገጭዩ ክሃድም ዝፈተነ ውልቀ ሰብ ኣብ ቀይድ ምስ ኣተወ፡ 200 ሚልዮን ዶላር ዘውጽእ ሓሽሽ ኣብታ መኪና ጽዒኑ ከም ዝጸንሐ ተገሊጹ። እቲ ወዲ 28 ዓመት መራሕ መኪና፡ ክሃድም እኳ እንተፈተነ፡ ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሲድደኒ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። እታ መኪና ምስ ተፈተሸት ድማ 273 ኪሎግራም፡ 'ሜት' ዝበሃል ዕጸፋርስ ተረኺቡ። በቲ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝወረደ ጉድኣት ከም ዘየለ፡ እታ ናይ ፖሊስ መኪና ግና ከቢድ ጉድኣት ከም ዝወረዳ፡ ሰብ መዚ ሓቢሮም። 'ሜት' ኣብ ኣውስትራልያውያን ኣዝዩ ዝውቱር ዘይሕጋዊ ዕጸፋርስ እዩ። ኣዝዩ ክቡር ብምዃኑ ድማ፡ ዝተወደቡ ገበነኛ ጉጅለታት ኣብ ንግዲ እቲ ዕጸፋርስ ክሳተፉ ሰሓቢ ኮይኑ ምህላው ይግለጽ። እቲ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዘሎ ስሙ ዘይተገለጸ ውልቀሰብ፡ ብሰሉስ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ኮይኑ ምቕራብ ሓሽሽን ብሸለልትነት መኪና ምምራሕን ዝብሉ ክስታት ተመስሪቶምሉ ኣለው።","category":"ንግዲ መድሃኒት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49094021"} {"headline":"ኣብ ሜክሲኮ ኣዘዋወርቲ ዕጸፋርስ ድሮን ብምጥቃም ናብ ፖሊስ ብዝደርበዩዎ ቦምባ ክልተ ቆሲሎም","content":"ኣብ ሜክሲኮ ጥርጡራት ገበነኛታት ሰብ ኣልቦ ነፋሪት (ድሮን) ብምጥቃም ናብ ፖሊስ ተባራዒ ነገራት ድሕሪ ምድርባዮም ክልተ ፖሊስ ቆሲሎም። ብድሕሪ እቲ ብሰሉስ ኣብ ምዕራብ ዞባ ሚኮካን ዝተፈጸመ ገበን፡ ዕሉል ጉጅለ ኣዘዋዋሪ ዕጸፋርስ ጃሊስኮ ኒው ጀነሬሽን ካርተል ክህልው ከም ዝኽእል ሰብ መዚ ይጥርጥሩ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክልተ ዝተዋደዳ ዕንዝራ[ድሮን] ኣብ መኪና ናይ ሓደ ኣባል እቲ ጉጅለ ምዃኑ ዝተጠርጠረ ሰብ ተረኺቡ ነይሩ። እቶም ዕንዝራታት ኣብቲ ኣብ መንጎ እቲ ኣዘዋዋሪ ዕጸፋርስን ሓይልታተ ጸጥታን ዝግበር ኲናት ኣብ ጥቕሚ ዝወዓሉ ምዕቡላት ኣጽዋር ምዃኖም ይግመት። ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝርዝር ሓበሬታ እኳ እንተዘይተዋህበ፡ እቲ ጉጅለ ክልተ ዕንዝራ ከም እተጠቀመ መራኸቢ ብዙሓን ጸብጺበን። እተን ነቲ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ኣብ ጥቕሚ ዝወዓላ ዕንዝራታት ምስተን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ መኪና ዝተረኽባ ተመሳሰልቲ ምዃነን ተገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ዝተረኽባ ዕንዝራታት ካብ ጎማ ዝተሰርሐ ዝፍንጀር መትሓዚ ዝተገጥመን ኮይነን ተፈንጃሪ ክቢ ቅርጺ ዘለዎም ዓረር መሊአን ኔረን። ክኢላታት ከም ዝሓበሩዎ እቶም ዕንዝራታት ብሩሕቕ ንምፍንጃር ዝተዋደዱ ኮይኖም ከቢድ ጉድኣት ከስዕቡ ይኽእሉ። እቶም ብሰሉስ ዝቖሰሉ ኣባላት ፖሊስ፡ እቲ ናብ ከተማ ኣጉሊላ ዝወስድ መገዲ በቲ ኣዘዋዋሪ ዕጸፋርስ ድሕሪ ምዕጻው ከኽፍትዎ ናብቲ ከባቢ ዝተንቀሳቐሱ እዮም ነይሮም። ኣብ መንጎ ጃሊስኮ ኒው ጀነሬሽን ካርተልን መቐናቕንቱ ዩናይትድ ካርተልን ነታ ከተማ ንምቁጽጻር ብዝግበር ቃልሲ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ነበርቲ እታ ከተማ ሃዲሞም እዮም። ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ሸሞንተ ዝተቆራረጸ ኣስከሬናት ኣብቲ ከባቢ ተረኺቡ እዩ።","category":"ንግዲ መድሃኒት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56841673"} {"headline":"ፖሊስ ኬንያ መርመራ ንምክያድ ቤት ሓደ ሃብታም ጎርጊሮም","content":"ፖሊስ ኬንያ፡ ምስቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝተጀመረ ንምዝውዋር ዕጸ ፋርስ ዝምርምር ወፈሪ ብዝተሓሓዝ፡ ኣብ ቤት ፍሉጥ ሃብታም ዓሊ ፑንጃኒ ብርቱዕ ተፍቲሽ ኣካይዶም። ኣብቲ ዝተገበረ ተፍትሽ ሰለስተ ሰባት ክተሓዙ እንከለዉ፡ እቶም ዝተተሓዙ፡ ሓንቲ ብዓልቲ ቤት ዓሊ ፑንጃኒ'የ ዝበለት ኔፓላዊትን፡ ሓደ ህንዳውን ካልእ ኔፓላውን እዮም። ዓሊ ፑንጃኒ፡ ሓደ ካብቶም ኣርባዕተ ብምዝውዋር ዕጸፋርስ ኣብ ኒው ዮርክ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክሲ ቀሪብሎም ዘለዉ ኮይኑ፡ ምስኡ ክልተ ኬንያውያን ኣሕዋት ባክታሽን ኢብራሂም ኣካሻን ተመሳሳሊ ክሲ ቐሪብሎም ኣሎ። ዓሊ ፑንጃኒ፡ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እቲ ዝቐረበሉ ክሲ መልሲ ኣይሃበን። ባክታሽን ኢብራሂም ኣካሻን፡ ኣስታት 100 ኪሎ ግራም ዕጸፋርስን ካልእ ጎዳእቲ መድሃኒታት ናብ ኣሜሪካ ኣእትዮም ብዝብል ክሲ ገበነኛታት ኮይኖም ተረኺቦም እዮም። እዞም ክልተ የሕዋት፡ በዚ ክሲ ንሕልፈት ክፍረዱ ይኽእሉ እዮም፤ እንተኾነ መንነት ናይቶም ኣብ ምዝውዋር ዕጸፍርስ ዝሰርሑ መሳርሕቶም ብምቕላዕ ፍርዶም ክመሓየሸሎም ኣብ ምድርዳር ከም ዘለዉ'ዩም ጸብጻባት ዝሕብሩ። ጠበቓ ዓሊ ፑንጃኒ፡ ጅፍ ኣስገ ንጋዜጤኛታት ከም ዝሓበሮ፡ ዓሊ ፑንጃኒ ሕከምና ንምግባር ኣብ ህንዲ ከም ዘሎ ክሕብር እንከሎ፡ ቤተሰብ ዓሊ ፑንጃኒ'ውን ኣብ ሆስፒታል ደቂሱ እንከሎ ዘርኢ ስእሊ ንጋዜጤኛታት ኣርእዮም።","category":"ኣጠቓቕማ መድሃኒት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49341298"} {"headline":"ፖሊስ ስፐይን፡ ኣባላት ካብ ሞሮኮ ናብ ስፐይን መዐወኒ እጽ ዘዘዋወር ጉጅለ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ","content":"ፖሊስ ስፐይን ቅልጡፋት ጀላቡ ተጠቒሞም ካብ ሞሮኮ ናብ ስፐይን መዐወኒ ሓሽሻት ከዘዋውሩ ረኺበዮም ንዝበሎም 100 ጥርጡራት ኣባላት ሓደ ኣዘዋዋሪ ጉጅለ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዎም ኣፍሊጡ። ብሸነኽ ደቡባዊ ስፐይንን ፈረንሳን ብዝተገበረ ዳህሳስ ልዕሊ 5 ሽሕ ኪ.ግራም ካናቢስ ተረኺቡ። መጸውዒ ሽም ናይቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ሞንፓርሌት ከምዝኾነ ናይታ ሃገር ሓለዋ ሲቪልያን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ጥርጡራት ነቶም ዘጎዓዕዝዎም መዐወኒ ንጥረ ነገራት ብውሽጢ እቲ ኣብ ስፐይን ዝርከብ ሩባ ጓዳሊኩቭር ድሕሪ ምውጻእ ናብ ፈረንሳይ ድማ ምስ ኣትክልቲ ሓዊሶም ብመኪና ከምዘግዕዝዎም ተገሊጹ። ኣስዒቦም ኣብ መላእ ኣውሮፓ ንዘለዉ ዓማዊሎም ከምዘከፋፍልዎም’ዩ ዝግለጽ። ሓበሬታ ፖሊስ ስፐይን ከምዘመላኽቶ፡ ልዕሊ 5 ሽሕ ኪ.ግራም ሓሽሽን 230 ኪ.ግራም ማሪዋናን ዝተረኸበ ኮይኑ እቲ ጉጅለ ኣዝዩ ዝተወደበን ነቶም ዘካይዶም ዘይሕጋዊ ተግባራት ንምፍጻም ዘኽእሎ ዝተማልአ ናውቲ ዝወነነ’ዩ። እተን መዕወኒ ንጥረ ነገራት ንምጉዕዓዝ ዝጥቆሙለን ጀላቡ እንከይተረፈ ነዳዲኤን መሊኡ ንጉዕዞ ድልዊ ዝገብር ውፉይ ጉጅለ ከምዝነበሮ ፖሊስ ሓቢሩ። ፖሊስ ኣወዳድባ ናይቲ መርበብ እንተረድእ “ሓደ ጨንፈር ናይቲ ጉጅለ ጀላቡ ኣብ ሩባ ጓዳሊኩቭር የዋፍር፣ እቲ ካልአዋይ ኣብ ዶስ ሄርማናስ ካብ ዝርከብ መኻዚኖ ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ዘከፋፍል ኮይኑ እቲ ሳልሰዋይ ድማ ንዝጎደሉ ነገራት ናይ ምምላእ ስራሕ ኣለዎ” ኢሉ። እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ንኻልኦት ናይ ገበን ጉጅለታት መግብን ነዳድን ብምቕራብ ክሲ ዘቐረበሉ ኮይኑ ፖሊስ ኣብ ዘካየዶ ፍተሻ ካልኦት ናይ ዕጥቅን መራኸብታትን መሳርሕታት ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።","category":"ኣጠቓቕማ መድሃኒት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56630779"} {"headline":"ብዕጸ ፋርስን ብመርዚ ተመንን ንግዲ ወጻኢ ከሳልጥ'የ ዝብል ሕጹይ ፕረዚደንት ኬንያ","content":"ኣብዚ እዋን ሕጹይ ፕረዚደንት ኬንያ ዝኾነ ጆርጅ ዋጃኮኣ፡ ብንእስነቱ ኣብ ኬንያ ግዳም ሓደር ዝነበረ፡ ድሒሩ ድማ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኳዓቲ መቓብር ዝነበረ፡ ዕጸ ፋርስ፣ መርዚ ተመንን ፍረነፍሲ ዝብእን ንሰደድ ኣዝዩ ከም ዘመቻቸወ ይግለጽ። ዋላ’ኳ ብዙሓት ብዛዕባ ተግባራዊነት ውጥንኡ እንተተጠራጠሩ፡ ጎስጓስ ምርጫ ሕጹይ ፕረዚደንት ኬንያ ግን ንብዙሓት መሲጥዎም ኣሎ። 17 ዲግሪ ኣለኒ ዝብል ወዲ 63 ዓመት፡ በዓል ሞያ ሕጊ፡ ፕሮፌሰር ዋጃኮያህ፡ ኣብ መጻኢ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዝካየድ መረጻ ኬንያ ካብ ዝወዳደሩ ኣርባዕተ ሕጹያት ፕረዚደንት፡ ከም ሓደ ፍሉይ ትርኢት ብምርኣይ ኣቓልቦ ስሒቡ ኣሎ። ብዙሕ ኣቓልቦ እንተሰሓበ እውን 'ኣብ መረፃ ክዕወቱ ድዩ?' ንዝብል ግን፡ ካብ ህዝቢ ዝተኣከበ ዳህሳስ ከምኡ ኣየርእን። እቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዝተዘርግሐ ዳህሳስ ከም ዘመልክቶ፡ 'ሱር' ዝተባህለ ሰልፊ ወኪሉ ዝወዳደር ዘሎ ዋጃኮያ፡ 4 ሚእታዊት ድምጺ ጥራይ ከም ዝረክብን ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ከም ዘሎን ይግለጽ። ክኢላታት እቲ ዓውዲ ግን፡ ከም ሓደ ንመጀመርታ ግዜ ሕጹይ ንዝወዳደር ሰብ መጠን፡ ኣብ ጽቡቕ ኣብ መንገዲ ከምዘሎ ይዛረቡ። ብፍላይ እቶም መሪሕ ተወዳደርቲ፡ 43 ሚኢታዊ ዝተውሃበ መራሒ ተቓዋሚ ራይላ ኦዲንጋን 39 ሚኢታዊ ዝረኸበ ምክትል ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶን ዝኾነ ይኹን ድምፂ ክስእኑ ኣይደለዩን፣ ዋጃኮያ ግን ገለ ድምጽታት ክወስድ ትፅቢት ተገይሩሉ። \"ዋጃኮያ፡ ብዙሓት ዝስሕቑሉ ዝነበሩ ሓሳባት ብምልዓል የናውጽ ኣሎ። ልቢ ናይቶም ኣብ ከተማ ይኹን ኣብ ገጠር ዝርከቡ ብዛዕባ ቁጠባ ዝተቖጥዑ መንእሰያት ክስሕብ ክኢሉ። ዝተፈላለዩ ብሄራት፣ እምነትን ሰልፍታትን ዘለዎም መናእሰይ ይሰምዕዎ ኣለው\" ክብል ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ዴይሊ ኔሽን ኬንያ ማቻርያ ጋይቶ ፅሒፉ። ንጎስጓስ ምርጫ ኣብ ጎደናታት ክወጽእ እንከሎ፡ ኣብ ክንዲ ምሉእ ሱፍ ካቦትን ዝኽደን፡ ቲሸርት፡ ቆቢዕ፡ ስካርፍ፡ ጂንስ፡ ኦቨርሎስ ገይሩ ይረአ። በዚ መንገዲ ድማ ኣካል ናይቲ ኣብታ ሃገር ሰፊኑ ዘሎ ሰፊሕ ብልሽውና ከምዘይኮኑ የርእዪ። ማሪዋና ዘትክኽ መሲሉ እውን ብኣጻብዕቱ ምልክታት ይገብር። እቲ ህዝቢ ብደርፍታት ሬጌ ክስዕስዕ ከሎ ፡ ንሱ ብሓጎስ ይዘልል። ፕሮፌሰር ዋጃኮያ፡ ፕረዚደንት ኰይኑ እንተተዓዊቶም፡ ንክልተ ዓበይቲ ጸገማት ኬንያ፡ ማለት ሽቕለት ኣልቦነት ንምፍታሕን ሃገራዊ ዕዳኣ ንምንካይን፡ ንሕርሻ ዕጸ ፋርስን ንኢንዱስትሪን ሕክምናን ዝኸውን ምህርቱን ዝቆጻጸር ሕጊ ከምዘውጽእ ገሊጹ። ከም ኣገላልጻኡ፡ እዚ ስጉምቲ ንኬንያ ዓመታዊ ልዕሊ ትሽዓተ ትሪልዮን ሽልንግ ወይ 76 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከም ዝረክብ ዝገለጸ ዀይኑ፡ መንግስቲ ዳግማይ \"ሓንቲ ሳንቲም ክልቃሕ ከይግደድን'ዩ\" ኢሉ። “ምዕራባውያን ሃገራት ንማሪዋና ሕጋዊ ገይረንኦ ኣለዋ። ስለምንታይ ንሕናኸ ሕጋዊ ዘይንገብሮ?\" ክብል ድማ ይሓትት። ዋላ እኳ ነቲ ዝብሎ ብመጽናዕቲ እንተዘይደገፎ፡ ማሪዋና ንኢንዱስትርያውን መድሃኒታውን ኣጠቓቕማ ሕጋዊ ምግባር ግን ቀንዲ ድፍኢት ናይቲ ዝገብሮ ጎስጓስ ምርጫ እዩ። መርበብ ሓበሬታ ኣፍሪካን ቼክ፡ ነቲ ውጥኑ ዘደናግር እዩ ክብል ገሊጽዎ። ይኹን እምበር፡ መዛረቢ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፡ ነቶም ብስራሕ ኣልቦነት ኣዝዮም ዝተሃስዩ መንእሰያት እታ ሃገር ድማ የሐጉስ ኣሎ። ፕሮፌሰር ዋጃኮያ ዘቕረቦ እማመ እንተተዓዊቱ፡ ንኬንያ ኣብ ጎኒ ሌሶቶ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዛምብያን ዚምባብወን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ኣህጉራዊ ዕዳጋ ማሪዋና ክወዳደራ ዝፍትና ሃገራት ከእትዋ እዩ። ማሪዋና፡ ኣብ ክሳብ 2028 ከም ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ፡ 70 ቢልዮን ዶላር ክኸውን ትጽቢት ከምዘሎ ገለ ግምታት ይሕብሩ። ፕሮፌሰር ዋጃኮያህ ማሪዋና ኣትኪኹ ከምዘይፈልጥ እኳ እንተገለጸ፡ ኬንያ ነቲ መድሃኒት ሕጋዊ እንተገይራቶ ግን ሓጎሱ ንምግላጽ ናይ መጀመርታ ማሪዋና ዘትክኽ ሰብ ከምዝኸውን ገሊጹ። \"ማሪዋና ሕጋዊ እንተዀይኑ፡ እቶም ተቖጻጸርቲ ኣካላት ድማ እንተፈቒዶም፡ ምትካኹ ጽቡቕ'ዩ\" ይብል። ፕሮፌሰር ዋጃኮያ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኬንያ ተኮኒኑ ኣሎ። እታ ቤተክርስትያን ንማሪዋና ሕጋዊ ምግባር ብምንቃፍ፡ ምጥቃም ሓሽሽ ኣብ መንእሰያት ዘግድድ እዩ ኢላ። “ስድራቤታት ኣብ ትሕቲ ስግኣት ሓሽሽ ይርከቡ። እዚ ድማ ናብ ምፍልላይን ዓመጽን ሞት ከይተረፈ ከስዕብ እዩ” ክብሉ ጳጳስ ጀምስ ማርያ ዋይናና ኣጠንቂቖም። ፕሮፌሰር ዋጃኮያ፡ ኩሎም ብመንግስቲ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ንኹባንያታት ቻይና ዝተውሃቡ ኩሎም ውዕላት ዳግም ክግምግሙ ምዃኖም እውን ቃል ኣትዩ። 21% ናይ ኬንያ ናይ ደገ ዕዳ፡ ካብ ቻይና ብምዃኑ ሃገራዊ ቁጥዐ ኣለዓዒሉ ኣሎ። ብፍላይ እታ ሃገር፡ ከም መንገድን ባቡርን ዝኣመሰሉ መሰረተ ልምዓት ንምህናፅ ዝኣተወቶም ውዕላት፡ ንህዝቢ ብዕሊ ዘይምግላፅ እቲ ሕፁይ ፕረዚደንት ዘልዕሎ ሕቶ እዩ። ፕሮፌሰር ዋጃኮያ፡ ምርባሕ ተመን ከም ካልእ ዓንዲ ቁጠባ ኬንያ እዩ ዝሪኦ። \"ካብ ወርቂ ንላዕሊ ዋጋ ኣለዎ\" ዝበሎ መርዚ ተመን፡ መድሃኒታዊ ጸረ-መርዚ ተመን ንምፍራይ ከምዝውዕል፡ ናብ ከም በዓል ቻይና ዝኣመሰላ ሃገራት ከም ዝለኣኽን፡ ስጋ ተመን ድማ ከም ጥዑም መግቢ ከም ዝቑጸር ተዛሪቡ። ፕሮፌሰር ዋጃኮያ ዝኾነ መርትዖ'ኳ እንተዘይኣቐረበ፡ \"ቁጠባ ርጉእ ንምግባር ኣብ ዓመት ሓደ ቢልዮን ዶላር ክህልወና ይኽእል'ዩ\" ይብል። ብተወሳኺ ኣብ ቻይና ንሕክምና ዝውዕል ፍረነፍሲ ዝብኢ፡ ካብ ማሪዋና ዝያዳ ኣታዊ ስለዘምጽእ ኬንያ ናብ ወጻኢ ሰደድ ክትገብር ከምዘለዋ ይምጉት። እዚ ዘረባኡ ካብ ጉጅለታት ዕቃበ እንስሳ ዘገዳምን ማሕበር ሕክምና እንስሳታት ኬንያን ቁጥዐ ኣስዒቡ። እቲ ማሕበር መካነ እንስሳታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ \"ንግዲ ዘርኢ ዝብእን ተመንን ክልኩል ኮይኑ፡ ንህላወ ዓሌታት እንስሳ ዘገዳም ስግኣት ዝፈጥር'ዩ\" ኢሉ። ባክተርያን ቫይረሳትን፡ ናብ ሰብ ብቐሊሉ ክተሓላለፉ ክገበር ከምዝኽእል'ውን እቲ መግለጺ ኣመልኪቱ። ነቐፍቱ፡ 'ንወፍሪ ምርጫኡ ህቡብነት ዝደሊ እዩ' ክብሉ እኳ እንተኾነንዎ፡ ደገፍትን ፈተውትን ፕሮፌሰር ዋጃኮያህ ንብድሆታት ህይወት ሰጊሩ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ብምልዓል የጣቕዕሉ። እቲ ፕሮፌሰር ኣብ ገጠራት ምዕራብ ኬንያ ዝተወልደ ኮይኑ፡ ወለዱ ምስተፋትሑ ናብ ጎደናታት ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ወጺኡ። ንጽጉማትን ዝበልዕዎ ዘይብሎምን ዝምግብ፡ ማእከል ኣገልገልቲ ምኩራብ ሃረ ክሪሽና ነቲ ወዲ ረኸብዎ። ፕሮፌሰር ዋጃኮያ እውን ኣብቲ ምኩራብ ሰፊሩ ድሒሩ ካህን ሃረ ክሪሽና ኮይኑ። ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ንኽዛዝም ደገፍ ተገይርሉ። ድሕሪ ምምራቑ ድማ ናብ ፖሊስ ኬንያ ተጸንቢሩ። ከምኡ እናበለ፡ ናብ ላዕሊ ደይቡ ናብ ክፍሊ ጸጥታን ስለያን ተጸንቢሩ። ፕሮፌሰር ዋጃኮያ፡ ኣብ 1990 ዝተፈጸመ ቅትለት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሮበርት ኦኮ፡ ዝምልከት ምስጢራዊ ሓበሬታ ድሕሪ ምርካቡ፡ ፕሮፌሰር ዋጃኮያ ኣብ ጸገም ከምዝኣተወ ይዛረብ። ፕሮፌሰር ዋጃኮያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ተሳቒዩ፡ ድሕሪ ምፍትሑ ድማ ብሓገዝ ኤምባሲ ኣመሪካ፡ ካብ ኬንያ ከም ዝሃደመ ተገይሩ። ፕሮፌሰር ዋጃኮያ ካብ ኬንያ ምስ ወጽአ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣምርሑ። ብኡ ድማ ትሑት ስራሕ እናሰርሐ፡ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሶኣስ፡ ዩኒቨርሲቲ ዋርዊክን ዩኒቨርሲቲ ዎልቨር ሃምፕተንን ላዕለዋይ ትምህርቱ ቀጺሉ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዎልቨርሃምፕተን እናተማህረ እንከሎ፡ መነባብሮኡ ንምምላእ ከም ሓላዊ ጸጥታ፡ ኳዕቲ መቓብርን ሞርቲሻንን ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ። ንሱ ንጋዜጣ ዳይሊ ኔሽን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እዞም ስራሓት \"ትሑትን ክኸውን ገይሮምኒ፤ ኣድማሰይ ድማ ኣስፊሖሙለይ\" ኢሉ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ንቤት ትምህርትን ንስራሕን ዝኸውን ግዜ ምርካብ ብድሆ እዩ ነይሩ። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ለውጢ ንምምፃእ ኣብ ዝግበር ፖለቲካዊ ጎስጓሳት'ውን  ተሳቲፉ እዩ። ፕሮፌሰር ዋጃኮያ ናብ ኣሜሪካ ምስ ገዓዘ ምስ ኣፍሪቃዊት ኣሜሪካዊት በዓልቲ ቤቱ ተራኸበ። እዞም መጻምድቲ ሰለስተ ቆልዑ ከምዘለዎም ይንገር። ካብ ዋልደን ዩኒቨርስቲ ዶክትሬትኡ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ትካላት ኣሜሪካ እውን ተማሂሩ እዩ። ብድምር 17 ዲግሪ ኣለኒ ዝብሉ ኮይኖም፡ ትምህርቱ ድማ ሕጊ ኢሚግሬሽን፡ ርክባት ዓለም ለኸን ስደተኛታትን ዘጠቓልል እዩ። ፕሮፌሰር ዋጃኮያ ኣብ 2010 ናብ ኬንያ ተመሊሶም ንፕረዚደንትነት ክወዳደሩ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ይኹን እምበር ኣብቲ እዋን ሓሳባቱ ገዲፉ፣ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይዚ ዓመት ኣብ ዝካየድ መረፃ ፕረዚደንት እታ ሃገር ንምዃን ፍሉያት ሓሳባት ሒዙ ብምምፃእ መረፅቲ የነቓቕሕ ኣሎ። ካልእ ካብቲ ፕሮፌሰር ዘካየዶ ኣካታዒ ጎስጓስ ምርጫ፡ ሰራሕተኛታት ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ መዓልቲ ጥራይ ክሰርሑ ብምፍቃድ ኩነታት ስራሕን መነባብሮን ንምምሕያሽ ቃል ይኣቱ።","category":"ኣጠቓቕማ መድሃኒት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cgr9rpjyg3ko"} {"headline":"ሜታኖል፡ ብምስማም ሰባት ይቐትል","content":"ኣብ ሃገራት ሳልሳይ ዓለም፡ ኣብ ገዛ ብባህላዊ መንገዲ ዝተጾምቀን ዝተጠጅአን መስተ ምስታይ ንቡር እዩ። ብዋጋ ክጥመት ከሎ`ውን ብተዛማዲ ሕሱር ስለዝኾነ፡ እቲ ድኻ ግዳይ ናይዞም ልዑል ዓቕን ኣልኮል ዘለዎም መስተ ይኸውን። ገሊኡ ይዓውር፡ ይስንክል፡ ገለ ድማ ይመውት። ንኣብነት፡ ኣብ ኬንያ ክሳብ እዚ ቀረባ እዋን፡ ቅልጢፍካ ቅተለኒ [ኪል ሚ ክዊክ] ዝብሃል ሓደገኛን ህይወት ብዙሓት ዘጥፍአን ዘሰንከለን ዘይሕጋዊ መስተ ነይሩ። ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን`ውን ስዋን ሜስን ገለ ካብቲ ባህላዊ መስተታት ክኾኑ ከለው፡ ክሳብ ሕጂ ዘስዓብዎ ጉድኣት ግና ኣይተራእየን፡ ኣይተሰምዐን። ልዕሊ ፍርቂ ናይቲ ደቡብ ካብ ሰሃራ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝስተ መስተ፡ እቲ ኣብ ገዛውቲ ዝጽሞቕ ዘይሕጋዊ መስተ ኢዩ ኢሉ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ። ነብሲ ወከፍ ወርሒ፡ ብርክት ዝበሉ ኢንዶኔዥያውያን ኣብ መርዓን ካልእ ህዝቢ ዝራኸበሉ ብዓላት ድሕሪ ምስታፍ ከምዝሓሙ ጸብጻባት ይሕብሩ። እቲ ሕማማት ኮነ ሳሕቲ ዝርአ ሞት፡ ኣብቲ ገዛውቲ ተጸሚቑ ዝቕረበሎም፡ ሓደገኛ ዓቐን ኣልኮል (ሜታኖል) ዘለዎን ሕሱር መስተ ኢዮም ዘላግብሉ። ድሕር`ቲ ሓደገኛ መስተ ምስታይ ዝኽሰት ሕማምን ሞትን ድማ ኣገዳሲ ዜና ኮይኑ ይቃላሕ። እዚ ኣብ ኢንዶኔዥያ ጥራይ ኣይኮነን ዝርአ። ኣብ ምሉእ ዓለም፡ ሰባት ሕሱር መስተ ብምስታይ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ የውድቕዋ። ኣብ ብዙሕ ቦታታት ከምዚ ዓይነት ኩነታት ኣብዝፍጠረሉ፡ እቶም ሓካይም ኣፍልጦ ናይቲ ኩነታት ስለዘይብሎም፡ ነቲ ዘጓንፍ መጉዳእትን ሞትን ንምክልኻል ኣይክእሉን ይብሉ ክኢላታት። ኣብ ሻውላት ርእሲ ከተማ ጃካርታ፡ ኢንዶኔዝያ፡ ዝነብርን ናይ ሞቶር ብሽክሌታ ሜካኒክ ዝኾነ፡ ካርዲ፡ ንዓመታት እቲ ኣብ ገዛ ዝጽሞቕ ዘይሕጋዊ መስተ ከምዝሰቲ ዝነበረ ይዝክር። ንዕኡ ``ሓይሊ ዝህብ`` መስተ ኢዩ ነይሩ። ``ክጅሃር ኣይደልን፡ ግና ገንዘብ ስለዝነበረኒ፡ መዓልታዊ ኢየ ዝሰቲ ነይረ`` ኢሉ ካርዲ። ሓደ መዓልቲ ሓደ ካብቶም ስሩዕ ዓሚሉ፡ ካብቲ ሕሱር ዘይሕጋዊ መስተ ሒዙ ናብቲ ጋራጅ ይመጽእ። ``ካብቲ ሒዝዎ ዝመጸ ሸሞንተ ጠራሙስ ሰትየ። ክልተ፡ ሰለስተ ዝኾና ሞተር ብሽግሌታታት ድሕሪ ምዕራይ፡ ነታ ራብዓይቲ ኣይተንከፍኩዋን። ምስታይ ቀጺለ። ዳሕራይ ስዓት 2 ናይ ለይቲ ምዃኑ ተረዲኡኒ`` ኢሉ ካርዲ። ድሕር`ዚ ስኽራን ዝፈጠሮ ቀጨውጨው ጥራይ ዘይኮነ ካልእ ጸገማት ከምዘስዓበሉ ተረዲኡ። ለይቲ ካብ ድቃሱ ብኽቱር ሕማም ቅርጸት ተበራቢሩ። ኣይጸንሐን፡ ሃልዋቱ ኣጥፊኡ። ገለ ኣባላት ስድራቤቱ ናብ ሆስፒታል ወሲዶምዎ፡ እቶም ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል ግና ኣስላም ስለዝነበሩ ሰኺሩ ንዝመጸ ሰብ ኣይንሕክምን ብምባል ኣብዮሞ፡ መስተ ሰትዩ ስለዝነበረ። እዚ ግና ንቡር ፍጻመ ኣይነበረን። ኣብታ ካልአይቲ ዝኸድዋ ሆስፒታል`ውን ክመልስዎ እናተደናደኑ ከለው፡ ብዕድል ሓደ ቅድሚ ሕጂ ሞተር ብሽግሌትኡ ዘዐረየሉ ሓኪም ኣብ ስራሕ ስለዝነበረ፡ ክሪኦ ወሲኑ። ናይ ሜታኖል ምስማም ዝፈጠሮ ጸገም ከምዝኾነ ድማ ኣረጋጊጹ። ሜታኖል ኣብ መስርሕ ምጽሟቕን ምስራብን [ዲስቲሌሽን] ዝምስራሕ ሓያል ኣልኮል ኢዩ። እቶም ኣብ ፋብሪካታት ዝምስርሑ ኣልኮላዊ መስተ ነቲ ዓቐን ናይቲ ኣልኮል ወዲሰብ ክጥቀመሉ ናብ ዝኽእል ዓቐን ስለዘጉድለዎ ድማ ሃስያኡ ዝጋነን ኣይኮነን። እቶም ኣብ ድሕሪ ገዛውቶም ነቲ ኣልኮላዊ መስተ ዝጾምቁ ኣስሓኮ ዘይብሎም ጸሞቕቲ ግና መኽሰቦም ከይጎድሎም ዋላ ካብቲ ኣብ ፋብሪካታት ዝጽሞቕ ሜታኖል ይውስኽሉ። ኣብቲ ብባህላዊ መንገዲ ዝጽሞቐሉ እዋን ዝያዳ ስለዘብኩዕዎ ዓቐን ናይቲ ኣልኮል ክብ ይብል። ምስ መሰየ፡ ካርዲ ስኽራኑ ዘፍ ኢሉሉ። ኣካላቱ ግና ስለዝተሰመመ፡ ቅሓር፡ ቃንዛ ኣብ ኣፍልቡን ኣብ ከስዕኡን፡ ሕማም ርእስን ዓይኑ ድማ ጽልግልግ ክብሎ ጀሚሩ። እቲ ሓኪም ህይወቱ ከድሕኖ ክኢሉ`ዩ፡ እንተኾነ እቲ ናይ ካርዲ መጉዳእቲ መጻኢ ሂወቱ ዝቕይር ኢዩ ነይሩ። ግዚያዊ መልመስቲ ምሉእ ኣካላቱ ኣስዒብሉ ስለዝነበረ ድማ፡ ምንቅስቓሳቱ ናብ ንቡር ኣይተመልሰን። የዒንቱ`ውን ኣዝየን ተሃስየን ስለዝነበራ፡ ኣብ ዝቕጽላ ዓመታት ጨሪሰን ዓዊረን እየን። ድሕር`ዚ ተስፋ-ኣልቦ ኩነታት፡ በዓልቲ ቤቱ ራሕሪሓቶ ከይዳ። ኣብዚ እዋን፡ ካርዲ ጽግዕተኛ ናይቶም ጎረባብቱ ኮይኑ ይርከብ። በቲ ዝተገብረሉ ሕክምና ነተን ብጠቐር ዝተሸፈና የዒንቱ ንቐረባ ነገራት ክርኢ ስለዘኽኣሎ ድማ፡ ብሓደ ወገን ዕድለኛ እየ ኢሉ። እቶም መሳትይቱ ዝነበሩ ክልተ የዕሩኽቱ ግና ሽዓ ምሸት ኢዮም ሞይቶም። `ሓራም` ``እንተድኣ ንሰባት ሜታኖል ክስምም ሪኢኹም ዶ ኢልካ ምስተሓትት፡ ኩሎም ኣይፋል ኣይሬእናን ኢዮም ዝብሉ`` ኢሉ ኣብ ኦስሎ ዩኒቨርስቲ ፡ ብዛዕባ ሜታኖል ዝስዕቦ ጸገማት ዝመራመር ዓለማዊ ክኢላ። ``እንተድኣ ሰባት ብሰንኪ መስተ ክዓውሩ ወይ ድማ ክሞቱ ሪኢኹም ዶ ኢልካ ምስትሓቶም ድማ፡ እወ ኩሉ ሻዕ ብሰንኪ ሜታኖል ዘጓንፍ ፍጻመ ኢዩ`` ይብሉ። ኦስሎ ዩኒቨርስቲ ምስ ዶብ-ኣልባ ናይ ሓካይም ማሕበር ኣብዘካየድዎ መጽናዕቲ፡ ኣብ ለካቲት 2019፡ ኣብ ግዝኣት ኣሳም፡ ህንዲ፡ ኣብ ናይ ቆጽሊ ሻሂ ናይ ሕርሻ ቦታ ዝሰርሑ ኣስታት 150 ዝኾኑ፡ ነቲ ኣብ ገዛውቲ ዝተጾምቀ መስተ ድሕሪ ምስታይ ክሞቱ ከለው ብዙሓት ዒሮም ካልኦት ድማ ሰንኪሎም። ኣብ ኢራን`ውን እዚ ጉጅለ ሓካይም ኣብዝገበሮ መጽናዕቲ ፡ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ መስተ ብምስታይ 84 ሰባት ብምስማም ሜታኖል ከምዝሞቱ ገሊጹ። ኣብ ሊብያ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ጥራይ ልዕሊ 1,000 ሰባት ተመሳሳሊ መስተ ብምስታይ ሆስፒታል ክእትዉ ከለው፡ ሆስፒታል ከይበጽሑ ድማ ብዙሓት ከምዝሞቱ፡ ኣባል እታ ጉጅለ ዝኾነ ዶክተር ሆቭዳ ገሊጹ። ``ኣሽሓት ሰባት ብሰንኪ`ዚ ዘይሕጋዊ መስተ ይዓውሩን ይሞቱን ኣለው`` ኢሉ ዶክተር ሆቭዳ። ናይ ስነ-ምግባር ሕቶ ኣይኮነን፡ ሕማም`ዩ ኣብተን ከም ኢንዶኔዥያ ዝኣመሰላ ኣስላም ዝበዝሑለን ሃገራት፡ መስተ ምስታይ ሓራም ወይ ድማ ክልኩል ኢዩ። ስለዝኾነ ድማ እቶም ሰባት ካብ ሕፍረት ወይ ድማ ከይውንጀሉ ብምፍራሕ ናብ ሆስፒታላት ብምኻድ ሓገዝ ኣየናድዩን። ``ኣብ ከም ኢንዶኔዥያ ዝኣመሰላ ሃገራት እዚ ጉዳይ ዓቢ ሽግር ኢዩ`` ኢሉ ዶክተር ቼኔሪ ሊም ኣባል ማሕበር ዶብ-ኣልቦ ሓካይም። ኣብቲ ጎስጓስ እነካይደሉ እዋን እቲ ሽግር ``ናይ ስነ-ምግባር ሽግር ዘይኮነ ሕማም`` ከምዝኾነ ኢና ንገልጸሎም። ነቲ ብሰንኪ ሜታኖል ምስታይ ዝኽሰት ምስማም ንምፍዋስ፡ ስጋብ ናይ ጥዕና ሰብ ሞያ ሓገዝ ኣትረክብ ኤታኖል ዝተባህለ ኣልኮል - ከም ብዓል ቮድካን ጂንን - ዝእኣመሰሉ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ሓጋዚ ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ከምቲ ካርዲ ዘጓነፎ፡ እቶም ሓካይም ኣስላም ስለዝነበሩ ኤታኖል [ኣልኮል] ምሃብ ሓራም ስለዝኾነ ኣብዮሞ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቶም መስተ ሰትዮም ናብቲ ሆስፒታል ዝመጹ ሕሙማት ዝኾነ ሓገዝ ኣይገብሩሎምን። ጸባ ኮኮናት ብምስታይ ክንፍውሶ ንኽእል`ዶ? ልሃኒ ዴቪስ ዝተባህለት ኣውስትራልያዊት፡ ወዳ ኣብ 2012 ንዕረፍቲ ናብ ኢንዶኔዝያ ምስ ከደ፡ ሜታኖል ብምስታዩ ስለዝተሰመመ ሓሚሙ ናብ ሆስፒታል ከይዱ፡ ኣብቲ ሆስፒታል 20 ሰዓታት ገይሩ ከብቅዕ፡ ግቡእ ሕክምና ብዘይምርካቡ ናብ ኣውስትራልያ ይኸይድ፡ ድሕሪ ሰለስተ ስዓታት ድማ ይዓርፍ። እቲ መስተ ሜታኖል ኣብቲ ሃገር ዘስዕቦ ዝነበረ ጸገማት ብምርዳኦም [ወዲ ልሃኒን የዕሩኽቱን]፡ ነቲ ብባህላዊ መንገዲ ዝተጾምቀ መስተ ገዲፎም ካብ ደገ ዘመጸ መስተ ክሰትዩ ኢዮም ወሲኖም። እቲ ዘይፈለጥዎ ነገር ግና፡ እቶም ሰብ ባር ነቲ ኣብ ገዛ ዝተጾምቀ መስተ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ናይ ደገ ጠራሙስ መሊኦም ይሸጥዎ ስለዝነበረ፡ ወዲ ልሃኒ ይስመም። ልሓኒ ድሕሪ ሞት ወዳ 'ላይፍ ሴቪንግ ኢኒሼቲቭ' ዝብሃል ገባር ሰናይ ማሕበር ብምምስራት እቶም ናብ ኢንዶኔዝያ ዝኸዱ በጻሕቲ (ቱሪስት) ሜታኖል ከይሰትዩ ክትጉስጉስ ጀሚራ። እቲ ሓካይም ክፈልጥዎ ዘለዎም ሜታኖል ብምስታይ ዝፍጠር ምስማም ስኽራን ስለዘይኮነ እቶም ሓካይም ተቐላጢፎም ፍሉይ ሕክምና ክገብሩሎም ኣለዎም ኢላ ልሃኒ። ዋላ ኤታኖል ብምሃብ ነቲ ኩነታት ከዕግስዎ ይኽእሉ ኢላ። ``ገለ ኣባላት እቲ ሕብረተ ሰብ ነዚ ብሜታኖል ዝኽሰት ምስማም፡ ጸባ ኮኮናት ብምስታይ ክንፍውሶ ንኽእል ዶ? ብባህላዊ ኣፋውስ`ከ ወይ ድማ ጸሎት ብምግባር ክፍወስ ይኽእል`ዶ`` ኢሎም ይሓቱ። ``ነዞም ከምኡ ኢሎም ዝሓቱ ኣይፋል፡ እዚ ሰብ ዝፈጠሮ ምስማም ስለዝኾነ ብባህላዊ መንገዲ ኣይፍታሕን ኢዩ። እቲ እንኮ ፍታሕ ዘመናዊ ሕክምና ጥራይ ኢዩ ንብሎም`` ኢላ ልሃኒ። መንግስቲ ኢንዶኔዥያ ነዚ ባህላዊ መስተ ኣብ ልዕሊ ዝጸምቁን ዝሸጡን ነጋዶ ተሪር ስጉምቲ ይወስደሎም፡ ነቲ ዝሓዞ ዘይሕጋዊ መስተ ድማ ይደፍኦ።","category":"ኣጠቓቕማ መድሃኒት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49986137"} {"headline":"ጀርመን፡ በጽሕታት ኣብ እዋን ምዝንጋዕ ሓሽሽ ክጥቀሙ ዘፍቅድ ሕጊ ከተጽድቕ’ያ","content":"መንግስቲ ጀርመን፡ በጽሕታት ንምዝንጋዕ ዝዝውተር ሓሽሽ ክጥቀሙ ዘፍቕድ ሕጊ ከጽድቕ ምዃኑ ተገሊጹ። ብመሰረት እዚ ቀሪቡ ዘሎ ሓድሽ እማመ ሓደ ሰብ ክሳብ 30 ግራም ሓሺሽ ካናቢስ ክሕዝ ዘፍቕድ ኮይኑ፡ ፍቓድ ዝተውሃበን ኣብያተ መሸጣ መድሃኒትን ዱኳናትን ክሸጣ ክኽእላ እየን። እዚ ቀሪቡ ዘሎ እማመ፡ ብባይቶ እታ ሃገር ክጸድቕ ትጽቢት ዝግበረሉ ኮይኑ፡ ኮምሽን ኣውሮጳ'ውን ተመሳሳሊ ሕጊ ንዘተኣታተወት ሃገረ ማልታ ኣጽዲቑላ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ። ሚኒስተር ጥዕና ጀርመን ካርል ለውተርባች እቲ ሕጊ እንተነወሐ ካብ 2024 ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኸውን ሓቢሩ። ካብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ማልታ ጥራይ’ያ ንምዝንጋዕ ዝዝውተር ሓሺሽ ፈቒዳ ዘላ። ሆላንድ ከምዚ ጀርመን ዘቕረበቶ እማመ’ኳ ኣንተዘይኣቕረበት፡ ውሑድ ዓቐኑ ሓሺሽ ምሓዝ ግን ብሕጊ ዘሕትት ኣይኮነን። እቲ ጀርመን ኣቕሪባቶ ዘላ ሓድሽ እማመ፡ ሓደ በጽሒ ክሳብ ሰለስተ ተኽሊ ሓሺሽ ክተክልን ከዕቢ’ውን ዘፍቕድ’ዩ። ብዙሓት ሃገራት ውሑድ ዓቐን ሓሺሽ ምጥቓም ዘፍቕድ ሕጊ ከተኣታትዋ እንከለዋ፡ ካናዳን ኡራጋይን ብወገነን ዜጋታተን ንመዘናግዒ ዝውዕል ሓሺሽ ክጥቐሙ ኣፍቂደን’የን። ኣብ ኣሜሪካ’ውን 37 ክፍለ ግዝኣታትን ዋሽንግተንን ንሕክምናዊ መዓላ ዝኸውን ሓሺሽ ክፈቕዳ እንከለዋ 19 ክፍለ ግዝኣታት ኸኣ ነበርተን ንመዘናግዒ ዝኸውን ሓሸሽ ክጥቐሙ ዘፍቕድ ሕጊ ኣታኣታትየን’የን። በዚ መሰረት 40% ካብ ህዝቢ ኣሜሪካ ንመዘናግዒ ዝኸውን ሓሺሽ ክጥቐም ብሕጊ ይፍቀዶ’ዩ። ሚኒስተር ጥዕና ጀርመን ካርል ለውተርባች፡ ነቲ እማመ ከቕርቦ እንከሎ “ቅድሚ ሕጂ ክንክተሎ ዝጸናሕና ተጠቃምነት ሓሺሽ ዝኽልክል ሕጊ ውጽኢት ኣይርኣናሉን” ኢሉ። እቲ ሚኒስተር፡ ተጠቃምነት ሓሸሽ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ይውስኽ ከምዘሎ ብምሕባር “ወልፊ ሓሺሽ ዘማዕብሉ መንእሰያት ይበዝሑ ኣለው፡ ስለዚ ነቲ ዘሎ ዕዳጋ ክንቆጻጸሮ ኣለና” ኢሉ። ሓሺሽ ንትሕቲ 21 ዓመቶም ንምኽልካል ቀይድታት ክግበር ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ሚኒስተር፡ እቲ ሕጊ ምስ ሕግታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝጻረር ከይከውን ንምርግጋጽ ናብቲ ሕብረት ከምዝልኣኽዎ ኣብሪሁ። እንተኾነ ብመሰረት እዚ ሓዲሽ ቀሪቡ ዘሎ እማመ፡ ንሓሺሽ ዝምልከት ምውዕዋዓት ፈጺሙ ኣይፍቀድን’ዩ። ሆላንድ:  መንግስቲ ካብ 1976 ጀሚሩ ኣብ ኣብያተ መስተ ምጡን ሓሺሽ ምጥቃም ዘይቃወም’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ህዝባውያን ቦታታት ኮይንካ ሓሺሽ ምጥቓም ግን ብሕጊ ዘሕትት’ዩ። በጽሕታት መዓልታዊ ክሳብ 5 ግራም ሓሺሽ ካብ ባራት ገዚኦም ኣብኡ ኮይኖም ከትክኹ ይፍቐዶም’ዩ። ንሓሺሽ ዝምልከት ምውዕዋዓት ምስራሕ ግን ኣዝዩ እጉድ’ዩ። ስዊዘርላንድ:  ኣብታ ሃገር ብሓኪም ዝተፈቐደ ኣዝዩ ትሑት ዓቐን ዘለዎ ሓሺሽ ፍቑድ’ዩ፡ ብዘይካ እዚ ንውልቃዊ መዓላ ዝኸውን ውሑድ ግራም ሓሺሽ ኣብ ስቱር ቦታ ኮይንካ ምጥቃም’ውን ብሕጊ ዘሕትት ኣይኮነን። ዓዲ-ጣልያን:  1.5 ግራም ወይ ትሕቲኡ ሓሺሽ ኣብ ገዛኻ ኮይንካ ምጥቃም መንግስቲ ይጻወሮ’ዩ፡ንምዝንጋዕ ኢልካ ዝውሰድ ሓሺሽ ግን ሕጂ’ውን ብሕጊ የሕትት’ዩ። ፈረንሳ:  ዝኾነ ዓይነት ሓሺሽ ምጥቃም ብሕጊ የሕትት። ፖርቱጋል:  ኣብ 2001 ውሑድ ዓቐን ሓሺሽ ምጥቃም ብሕጊ ከምዘየሕትት ተገሊጹ፡ ክሳብ ሕጂ ኸኣ ብኸምኡ ይቅጽል ኣሎ፡ እንተኾነ ንግዲ ሓሺሽ ብሕጊ የሕትት’ዩ።","category":"ኣጠቓቕማ መድሃኒት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cpd1klyp85po"} {"headline":"ብምዝውዋር ሓሽሽ ዝተጠርጠረት ኢትዮጵያዊት ንመጀመርታ ግዜ ቤት ፍርዲ ቀሪባ","content":"ዕጸ-ፋርስ (ሓሽሽ) ብምዝውዋር ተጠርጢራ ኣብ ቻይና - ጉዋንዡ ተኣሲራ እትርከብ ናዝራዊት ኣበራ ድሕሪ ኣዋርሕ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ። ካብ እትእሰር ንመጀመርታ ግዜ ቤት ፍርዲ ምቕራባ ዝተዛረበት ሓፍታ ቤተልሄም ኣበራ፡ ቤተሰባ ነቲ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ይጽበዩ ከም ዘለዉ ሓቢራ። ናዝራዊት ኣብ ቻይና ካብ እትቕየድ ሽድሽተ ወርሒ ሓሊፍዋ'ሎ። ቻይና ንገበን ምዝውዋር ዕጸ-ፋርስ ፍርዲ ሞት ዝብይን ሕጊ ስለዘለዋ፡ ስድራን ኣዝማድን ናዝራዊት ድማ በዚ ኣብ ስግኣት ተሸሚሞም ኣለዉ። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዝርከቦም፡ ካልኦት ሰበስልጣን መንግስትን ፍሉጣት ሰባትን ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ይከታተልዎ ምህላዎም ይግለጽ። ኣብ ቻይና ቤት ማእሰርቲ ጉዋንዡ ተኣሲራ ዘላ ናዝራዊት፡ ንፈለማ እዋን ናብ ቤት ፍርዲ ምስ ቀረበት፡ ነቲ 5.2 ኪሎ ግራም ዝምዘን ብመልክዕ ሻምፖ ዝተዳለወ 'ኮኬይን' መን ከም ዝሃባን ብኸመይ ክትሕዞ ከም ዝኸኣለትን ንዳያኑ ኣረዲኣ። መንግስቲ ቻይና ዘቖመላ ጠበቓ ድማ፡ ናዝራዊት ካብ ዓዳ ወጺኣ ከም ዘይትፈልጥ ዘረድእ ሰነድ ጉዕዞ፤ ካብ ገበን ነጻ ምዃና፤ መረዳእታ ትምህርትን ስራሕን ከም ዘቕረበ ሓፍታ ቤተልሄም ኣበራ ንቢቢሲ ተዛሪባ። ኣድላዪ ሰነዳት ካብ ኢትዮጵያ ከም ዝተልኣኸ ዝገለጸት ቤተልሄም \"ሕጊ ቻይና ክብድ ዝበለ ከይኮነ ኣይተርፍን፤ ከም ዝሓሰብናዮ [እቲ ጉዳይ] ይኸይድ የለን። ግን ከኣ ተስፋ ኣይንቐብጽን\" ኢላ። ዓቃቢ ሕጊ ብወገኑ ፡ ናዝራዊት ነቲ ተግባር እናፈለጠት ከም ዝፈጸመቶ ብምግላጽ፡ 'ዝተመሃረት ብምዃና ከኣ ብጌጋ ክትቕበል [ነቲ ዕጸ-ፋርስ] ኣይምተገበአን' ክብል ክሲ ኣቕሪቡ። \"ተመሊሳ ናብ ቤት ፍርዲ ትቐርበሉ ንጹር መዓልቲ ዝፍለጥ ኣይኮነን\" ዝበለት ሓፍታ፡ ብመሰረት ሕጊ ቻይና ግን፡ ሓደ ሰብ ናብ ቤት ፍርዲ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ካብ 20 ክሳብ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘሎ ግዜ ናይ መወዳእታ ብይን ከም ዝወሃብ ሓበሬታ ከም ዘለዋ ገሊጻ። በዚ መሰረት ስድራ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ናዝራዊት ዝወሃብ ናይ መወዳእታ ብይን ብተስፋ ይጽበዩ ምህላዎም ተዛሪባ። ንሳ ከም ዝበለቶ፡ ንናዝራዊት ብኣካል ክረኽብዋ'ኳ እንተዘይከኣሉ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ግን ክልተ ግዜ ደብዳበ ጽሒፋትሎም'ያ። \"ኣብቲ መጀመርታታት ናይቲ ጉዳይ ክብደት ኣይተገንዘበትን ኔይራ። ክመጽእ እየ ትብለና ነይራ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ክንድምንታይ ረዚን ከም ዝኾነ ስለዝተገንዘበት ኣብ ጭንቂ ትርከብ\" ክትብል ሓቢራ። ኣብቲ ደብዳቤ \"ትኽክለኛ ንዘይኮነ ሰብ ብምእማነይ ንነብሰይን ስድራይን ብዙሕ መስዋእቲ ኣኽፊለ። ምስ ወጻእኩ ክኽሕሰኩም'የ\" ዝብል መልእኽቲ ከም ዝጸሓፈት'ውን ወሲኻ ገሊጻ። በቢወርሑ ቁሩብ ገንዘብ ካብ ቤተሰብ ከም ዝለኣኸላ ዘዘኻኸረት ቤተልሄም፡ ኣብ ቻይና ዝርከብ ኤምባሲ ዘለዉ ዲፕሎማሰኛታት ከኣ ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ ከም ዝበጽሕዋ ኣረዲኣ።","category":"ኣጠቓቕማ መድሃኒት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49080416"} {"headline":"ኣብ ከተማ ሜክሲኮ ሓያል ኵናት ተላዒሉ","content":"ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከተማ ሜክሲኮ ኣብ ሞንጎ ኣካላት ጸጥታ መንግስትን 'ሲናሎ' ዝተባሃሉ ጉጅለ ኣሰጋገርቲ ዕጸፋርስን ብርቱዕ ኵናት ጀሚሩ። እዚ ኵናት ኦቫድዮ ጉዝማን ሎፐዝ ዝተብሃለ መራሒ ጉጅለ 'ሲናሎ' ብፖሊስ ምስ ተታሓዘ እዩ ጀሚሩ። ኦቫድዮ ጉዝማን ሎፐዝ፡ ወዱ ንፍሊጥ መራሒ ጉጅለ ኣዛዋዋሪ ዕጸ ፋርስ ኢል ቻፖ ጉዝማን ኮይኑ፡ ኢል ቻፖ ብፖሊስ ሜክሲኮ ምስ ተታሓዘ ኣብ ኣመሪካ ንሕልፈት ተፈሪዱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ እዩ። ወዲ 62 ዓመት ኢል ቻፖ ጉዝማን፡ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ፡ ብምስግጋር ዕጸፍርስን ዘይሕጋዊ ገንዘብን ዝርከቦም 10 ክስታት ገበነኛ ኮይኑ ስለዝተረኸበ'ዩ ንሕልፈት ተፈሪዱ። ኢል ቻፖ ጉዝማን፡ ኣብ 2015 ካብቲ ኣብ ሜክሲኮ ተኣሲርሉ ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ ብትሕቲ መሬት ፍሒሩ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምህዳሙ፡ ኣብ 2017 ዳግማይ ተታሒዙ እዩ ናብ ኣሜሪካ ተረኪቡ። እዚ ኣብ ሜክሲኮ ብፖሊስ ዝተታሓዘ ኦቫድዮ ጉዝማን ሎፐዝ፡ እቲ ቀንዲ ናብ ኣሜሪካ ዕጸፋርስ ዘሰጋግር ምዃኑ'ዮም ሰብ መዚ ዝሕብሩ። ፖሊስ ንኦቫድዮ ጉዝማን ሎፐዝ ፈተሻ እናገበሩ እንከለዉ ኣብ ሓደ ገዛ ከም ዝረኸብዎ'ዮም ዝሕብሩ። ኣባለቱ ድማ ንኦቫድዮ ጉዝማን ሎፐዝ ካብ ኢድ ፖሊስ ንምንጋፍ ብርቱዕ ኵናት ከም ዝኸፈቱ ተፈሊጡ። ኣብ 20ታት ዝርከብ ኦቫድዮ ጉዝማን ሎፐዝ ኣብኡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምስ ኣተወ፡ ነቲ ጉጅለ ኣብ ምምራሕ ዓቢ ተራ ከም ዝነበሮ'ዩ ዝሕብር። ብምኽንያት ምዝውዋር ዕጸ ፋርስ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ክህደን ከም ዝጸንሐ'ውን ማዕከናት ዜና ሜክሲኮ ገሊጸን። ክሳብ ሕጂ፡ በቲ ኣብ ሞንጎ ኣካላት ጸጥታ ሜክሲኮን 'ሲናሎ' ዝተባሃሉ ጉጅለ ኣሰጋገርቲ ዕጸፋርስን ዘካይድዎ ዘለዉ ኵናት፡ ቁጽሪ ምውታት እኳ እንተዘይተፈለጠ፡ ማዕከናት ዜና ግን ኣስእል ናይ ብዙሓት ዝሞቱ ሰባት የርእያ ነይረን።","category":"ኣጠቓቕማ መድሃኒት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50093531"} {"headline":"ሚኒስተር ምክልኻል ሜክሲኮ ነበር ጀነራል ሰንፊዩጎስ ዘፕዳ ብምዝውዋር መዐወኒ እጽ ተኸሲሱ","content":"ሚኒስተር ምክልኻል ሜክሲኮ ነበር መዐወኒ እጽን ዘይሕጋዊ ገንዘብን ብምዝውዋር ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። ጀነራል ሳልቫዶር ሰንፊዩጎስ ዘፕዳ ሚኒስተር ኣብ ዝነበረሉ እዋን ፈጺምዎ ብዝተባህለ ገበን እዩ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሎስ ኣንጀለስ ኣመሪካ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። እቲ ሚኒስተር ነበር ከም ሄሮይን፣ ኮኬይንን ማሪዋናን ዝበሉ እጻት ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ብምትሕብባር ዝብል ብዝርከቦም ኣርባዕተ ክሲታት መጻኢ ዓርቢ ኣብ ካሊፎርንያ ናብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እዩ። እቲ \"ዘ ጎድፋዘር\" ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ጥሮተኛ ጀነራል፡ ኤች-2 ዝተብሃለ ሓደገኛ ጉጅለ ኣዘዋዋሪ መዐዋኒ እጻት፡ እጻት ናብ ኣመሪካ ከእትዉ ይሕግዞም ከምዝነበረ ኣኽበርቲ ሕጊ ገሊጾም። ነዚ ዘረጋግጽ ኣብ መንጎ እቲ ጀነራልን ሓደ ላዕለዋይ መራሒ እቲ ሓደገኛ ጉጅለን ዝተገብረ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ መረዳእታ ከምዘለዎምን፡ ጉቦ ተቐቢሉ እቲ ጉጅለ ኣብታ ሃገር ድላዩ ክገብር ከምዘፍቀደሉን ተዛሪቦም። ብተወሳኺ ጀነራል ሰንፍዩጎስ ናብ ፍርዲ ክሳብ ዝቐርብ ብእሱር ክጸንሕ ዝጠለቡ እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ ክሳብ 10 ዓመትን ልዕሊኡን ማእሰርቲ ከምዝጽበዮ ገሊጾም። እቲ ነበር ጀነራል ብተቖጻጸርቲ እጽ ኣመሪካ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ንቢቢሲ ዘረጋገጸ ፕረዚደንት ሜክሲኮ ሎፔስ ኦብራዶር፡ እቲ ማእሰርቲ ቀንዲ ጸገም ሜክሲኮ ብልሽውና ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ ኢሉ። እቲ ፕረዚደንት ነቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣመራርሃ ብልስውና ክስፋሕፋሕ ብምግባር ዝኸሶም እንትኾን፡ ናይ ዘይምኽሳስ መሰሎም ክለዓል ይሰርሕ ከምዘሎ ይግለጽ። ካብ 2012 ክሳብ 2018 ኣኣ፡ ኣብ ዘበነ ስልታን ፕረዚደንት ፔና ኒቶ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ሜክሲኮ ኮይኑ ዘገልገለ ጀነራል ሰንፊዩጎስ፡ ኣንፋር ዝውውር መዐወኒ እጻት ኣብ ዝግበር ኩናት ዝለዓለ ሓልፍነት ነይሩዎ። ኮይኑ ግና ሰበስልጣን መንግስቲ ምስ ሓደገኛ ጉጅለታት ይመሳጠሩ ነይሮም ዝብል ክሲ ይቐርበሎም ነይሩ። ኣብ መጀርታ እዚ ዓለም ሓደ ናይ ቀረባ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኒቶ ዝነበረ ሰብ ብብልሽውና ተኸሲሱ ካብ ስፐይን ናብ ሜክሲኮ ተወሲዱ እዩ። ሓላፊ ትካል ነዳዲ ሜክሲኮ ዝነበረ ኢሚልዮ ሎዞያ፡ ካብ ሓደ ብራዚላዊ ትካል 8 ሚለዌኦን ዶላር ጉቢ ተቐቢሉ ተባሂሉ ተኸሲሱ። ሓደ በዓል ስልጣን ሜክሲኮ ኣብ ኣመሪካ ተኸሲሱ ክእሰር ጀነራል ሰንፊዩጎስ፡ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ፡ ነበር ሚኒስተር ጸጥታ ሜክሲኮ ጀናሮ ጋርሺያ፡ ካብ ሓደገኛ ጉጅለታት ጉቦ ብምቕባል ኣብ ኣመሪካ ተኣሲሩ፡ ኣብ ኒውዮርክ መስርሕ ፍርዲ ይከታተል ኣሎ።","category":"ኣጠቓቕማ መድሃኒት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54581942"} {"headline":"ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ኢኳዶር ብዝተልዓለ ጎንጺ 68 እሱራት ተቐቲሎም","content":"ኣብ ውሽጢ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ኢኳዶር ኣብ መንጎ ተነሓናሕቲ ጉጅለታት ብዝተልዓለ ኣምባጓሮ 68 እሱራት ከምዝተቐትሉ፡ ሰብ ስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም፡ ብተመሳሳሊ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ብዝተፈጥረ ኣምባጎሮ ልዕሊ ሓደ ሚኢቲ እሱራት ምሟቶም ዝዝከር እዩ። እቲ፡ ኣብ ከተማ ጉያኲል ኣብ ዝርከብ ሊቶራል ፔኒተንሽያሪ ዝተብሃለ ቤት ማእሰርቲ ዝተልዓለ ናዕቢ ብዓርቢ ዝጀመረ እዩ ተባሂሉ። ነቲ ናዕቢ ንምቁጽጻር ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝኣተዉ ፖሊስ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ማእሰርቲ ጠመንጃ፣ ነተጉትን መላጸን ከምዝረኸቡ ኣፍሊጦም። ኣብዚ ሓደ ዓመት ጥራይ፡ ኣብታ ሃገር ብተመሳሳሊ ኣምባጓሮታት ዳርጋ 300 እሱራት ከምዝሞቱ ጸብጻበት ይሕብሩ። እቲ ኣብ መስከረም ኣብ መንጎ ዘይሕጋዊ ጉጅለታት ተኸሲቱ ዝነበረ ባእሲ እቲ ዝኸፍአ እዩ ተባሂሉ። ትማሊ ቀዳም’ውን ተመሳሳሊ ኣምባጓሮ ተላዒሉ ከምዝነበረ ጸብጻባት ዘመልክቱ ኾይኖም፡ ወተሃደራት ናብቲ ከባቢ ከምዝተልኣኹን ደጋዊ ኣካል እቲ ቤት ማእሰርቲ ከቢቦም ከምዝተርአዩን ይግለጽ። ዘመድ ኣዝማድን ፈተውትን እሱራት ኣብ’ቲ ግዳያት ዝኾኑ ዝንገረሉ ኣዳራሽ ተኣኪቦም ተራእዮም። እቲ ጎንጺ ናይ ሓደ ዓቢ ጉጅለ መራሒ ምሰተፈተሐ፡ ኣብ መንጎ እቶም ተነሓናሕቲ ጉጅታት ብናይ ቦታ ይግበአኒ እዩ ተልዒሉ ተባሂሉ። ኣማሓዳሪ እታ ከተማ፡ “ሓደ ክፍሊ እቲ ቤት ማእሰርቲ መራሒ ኣይነበሮምን፡ ካብ ካልእ ክፍሊ እቲ ቤት ማእሰርቲ ዝመጽኡ ክጭፍጭፍዎም እዮም መጺኦም ነይሮም” ኢሉ። ኣብቲ ባእሲ ዝተልዓሎ ቤት ማእሰርቲ ብሓፈሻ ልዕሊ 700 እሱራት ከምዝነበሩ ድማ ሓቢሩ። ፕረዚደንት ጒለርሞ፡ ኣብ ትዊር ገጹ፡ ንስዳራ ግዳያት ኣጽናኒዑ፤ ነቲ ናይ ማፍያ ጉጅለታት ድማ፡ ጸጥ መበሊ ሓድሽ መይላ ከምዝረኽበሉ ቃል ኣትዩ። እቲ ፕረዚደንት ቅድሚ ሓደ ወርሒ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት፡ እቶም ጉጅለታት ሓደገኛታት ካብ ምዃኖም ዝተልዓለ፡ ምስ ገለ ፍሉጣት ዓለም ለኸ ጉጅለታት ኣዘዋወርቲ ዕጸ ፋርስ’ውን ርክብ ከምዝፈጠሩ ተዛሪቡ ነይሩ። ቅድሚኡ ዝነበሩ መንግስታት፡ ብዛዕባ ምዝውዋር ሓደገኛ እጻት ምንም ከይሰርሑ ሓሊፎም ክብል’ውን ከሲሱ፤ እቲ ጸገም ሱር ዝሰደደ ከምዝኾነ ብምእማን። ንሱ ከምዝብሎ፡ ኣብ ልዕሊ ዕጸ ፋርስ ዝካየድ ቃልሲ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ክወስድ ይኽእል እዩ እውን ኢሉ። ኣብ ልዕሊ ዝተወደበ ገበናት ንምቅላስ፡ ካብ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ብፍላይ ድማ ካብ ኣመሪካ፣ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኮሎምብያን ድጋፍ ሓቲቱ ኣሎ። ኣብያተ ማእሰርቲ እታ ሃገር ካብ ክሕዝዎ ዝግባእ ንላዕሊ ኣስታት 9 ሽሕ እሱራት ተወሰኽቲ ከምዝተሸከማ እዩ ዝዝረብ። ንኣብነት፡ እቲ ሕዚ ናዕቢ ዝተልዓሎ ቤት ማእሰርቲ ን5300 እሱራት ክሕዝ እንተተሰርሐ’ኳ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ልዕሊ 8500 እሱራት ሒዙ ይርከብ። ኣብ ወርሒ መስከረም፡ ኣብ ታሪኽ ኢኳዶር ኣዝዩ ጨካነ ብዝተመልኦ ኣተሓሕዛ ኣብ ዝፍለጥ ቤት ማእሰርቲ ውሽጢ ብዘተልዓለ ሓያል ባእሲ 116 ሰባት ከምዝተቐተሉ ሰብ ስልጣን እታ ሃገር ኣፍሊጦም ነይሮም። ኣብ ውሽጢ'ቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ መንጎ ዘለዉ ተነሓናሕቲ ጉጅለታት ዝተልዓለ እዚ ባእሲ፡ ከቢድ ሰብኣዊ ጉድኣት ከምዘብጸሐ ዝተገለጸ ኾይኑ፡ ሓሙስተ ሰባት ክሳዶም እንትቑረጽ፡ ዝተረፉ ድማ ብጥይት ተቐቲሎም። ላዕለዋይ ኣዛኢ ፖሊስ ዝኾነ ፋዉስቶ ቡኔናዎ፡ እቶም እሱራት ቦምባ ከይተረፈ ከምዝተወራወሩ ገሊጹ። እቲ ቤት ማእሰርቲ፡ ኣዝዮም ፍሉጣት ዓለምለኸ ጉጅለታት ኣዛወርቲ ዕጸ ፋርስ ዝእሰርሉ ምዃኑ እዩ ዝንገረሉ። ገለ ሃገራዊ መራኸቢ ብዙሃን ከም ዝጸብጸበኦ፡ እቲ ባእሲ፡ ብሓደ ፍሉጥ ዓለም ለኸ ኣሰጋጋሪ ዕጸ ፋርስ ትእዛዝ ዝተጀመረ እዩ'ውን ተባሂሉ ነይሩ። ሓላፊ ምምሕዳር ኣብያተ ማእሰርቲ ኢኳዶር፡ ገለ እሱራት ካብ ሓደ ክፍሊ ናብ ካልእ ክፍሊ ብዝተጓሕጎሐ ቱቦ እዮም ሓሊፎም መጥቃዕቲ ፈጺሞም። እቲ ቤት ማእሰርቲ፡ ምስ ኣብ ሜክሲኮ ዝንቀሳቐስ ሲናሎዋ ዝተባህለ ዓለምለኸ ኣሰጋጋሪ ዕጸ ፋርስ፡ ምትእስሳር ዘለዎ ሎስ ቾኔሮስ ዝተባህለ ጉጅለ ኣባላት ዝእሰርሉ እዩ። ጃሊስኮ ኒው ጄኔሬሽን ዝተባህለ ካልእ ጉጅለ ወሮበላታት ድማ፡ ምስ'ቲ ኣብ ኢኳዶር ዝርከብ ጉጅለ ብምምስጣር፡ ናብ ማእከላዊ ኣመሪካ ንምስፍፋሕ ጻዕሪ ይገብር ኣሎ ተባሂሉ።","category":"መነቃቕሒ ባእታታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59279921"} {"headline":"ማልታ፡ ተጠቃምነት ዕጸ-ፋርስ ሕጋዊ ዝገበረት ቀዳመይቲ ኣውሮጳዊት ሃገር ኮይና","content":"ሃገረ ማልታ ካብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ፡ እታ ንመስርሒ ዕጸ-ፋርስ ዝውዕል ካናቢስ ዝተብሃለ ዓይነት ገረብ ሰብ ከብቁልን ዕጸ-ፋርስ ክጥቀምን ዝፈቀደት ቀዳመይቲ ሃገር ኮይና። ዓቕመ ኣዳም ዝበጽሑ ማልታውያን ካብ ሸውዓተ ግራም ዘይበዝሕ ዕጸ-ፋርስ ኣብ ኢዶም ክሕዙን ኣብ ገዝኦም ካብ ኣርባዕተ ዘይበዝሕ ገረብ ካናቢስ ክተኽሉን ተፈቒድዎም ኣሎ። እንተኾነ ኣብ ቅድሚ ህጻናትን ኣብ ህዝባዊ ቦታታትን ኮይኖም ከትክኹ እንተተረኺቦም ክቅጽዑ እዮም። ከም ጀርመን፡ ሉክሰምበርግን ስዊዘርላንድን ዝኣመሰላ ብዙሓት ሃገራት'ውን ተመሳሳሊ ውጥናት ኣለወን፡ ሆላንድ'ውን ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ውሉፋት ዕጸ-ፋርስ [ሓሺሽ] ከትክኹ ትፈቅድ እያ ከም ሕጊ ግን ኣይሰፈረን። ባይቶ ማልታ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ድምጺ፡ 36 ይፈቐድ ዝብል ከድምጹ እንከለዉ 27 ተቃውምኦም ኣስሚዖም። እንተኾነ፡ ሃገራዊ ፓርቲ ዝተሰመየ ተቃዋሚ ሰልፊ ማልታ ነቲ ውሳነ ብትሪ ተቃዊምዎ ኣሎ። ሓለፊ እቲ ሰልፊ ብርናድ ግረች \"እዚ ውሳነ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ዕጸ-ፋርስ ከተባብዕ'ዩ፡ ውድባት ገበነኛታት ኸኣ ናብ ረብሐዞም ከውዕልዎ'ዮም\" ምባሉ ዘ ታይምስ ኣብ ገጻታ ኣስፊራ። እቶም ኣንጻር እዚ ሓዲሽ ሕጊ ዘድመጹ፡ ፕረዚደንት ማልታ ጆርጅ ቤላ ነቲ ሕጊ ክታሙ ከየንብረሉ ይምሕጸኑ ኣለዉ። ብመሰረት እዚ ሕጂ ወጺኡ ዘሎ ሕጊ፡ ዝኾነ ልዕሊ 7 ግራምን ትሕቲ 28 ግራምን ዕጸ-ፋርስ ሒዙ ዝተረኸበ ውልቀ ሰብ 100 ኢሮ ክቅጻዕ እዩ። ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ዕጸ-ፋርስ ከትክኽ ዝተረኸበ፡ 235 ኢሮ፡ ኣብ ቅድሚ ህጻናት [ትሕቲ 18 ዓመት ዕድሚኦም] ዕጸ-ፋርስ ከትክኽ ዝተረኸበ ኸኣ 500 ኢሮ ክቅጻዕ ምዃኑ ከም ሕጊ ሰፊሩ ኣሎ። ኡራጓይ ኣብ 2013 ካብ ሃገራት ዓለም እታ ንመጀመርታ ግዜ ተጠቃምነት ዕጸ-ፋርስ ሕጋዊ ዝገበረት ሃገር ክትከውን እንከላ፡ ካናዳ ንኡራጓይ ተኸቲላ ኣብ 2018 ተጠቃምነት ዕጸ-ፋርስ ፈቒዳ።","category":"መነቃቕሒ ባእታታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59663166"} {"headline":"ኣብ ኮሎምብያ ዕጸ ፋርስ ብምዝውዋር ገበን ክድለ ዝጸንሐ ‘ሓደገኛ’ ውልቀሰብ ተታሒዙ","content":"ኣብ ኮሎምያ ዕጸ ፋርስ ብምዝውዋር ገበን ዝድለ መራሒ ዝዓበየ ጉጅለ ዕጸ ፋርስ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ። ኦቶኔል ብዝብል ዝፍለጥ ሙሉእ ስሙ ዳይሮ ኣንቶንዮ ኡሱጋ ዝኾነ፡ ብገበን ዕፀ ፋርስ ምዝዋር ክድለ ዝጸንሓ እዚ ውልቀሰብ፡ ትማሊ ብሓባራዊ ስርሐት ሓይሊ ኣየርን ፖሊስን እዩ ክተሓዝ ክኢሉ። መንግስቲ እታ ሃገር ሃለዋት እዚ ውልቀሰብ ንዝሓበረ ሰብ 800 ሽሕ ዶላር እንትምድብ፡ ኣመሪካ ድማ ሓበሬታ ንዝህብ 5 ሚልዮን ዶላር ክትህብ ተመጻቢዓ ነይራ። ፕረዚደንት እታ ሃገር ኢቫን ዲቁ ናይቲ ውልቀሰብ ምትሓዝ ኣመልኪቱ ኣብ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ብምስሊ ተሰንዩ ተዛሪቡ። “እዚ ነቲ ኣብ ሃገርና ኣብ’ዚ ክፍለ ዘበን ዝካየድ ዘሎ ገበናት ምዝዋር ዕጸ ፋርስ ዓብይ ፍሽለት እዩ ” ኢሉ። ኣብ ሰሜን ምዕራብ ኮሎምብያ፡ ኦቶኔል ኣንትዮቒያ ኣብ ዝበሃል ገጠር መንበሪ ገዝኡ እዩ ተረኺቡ። ብዛዕባ እቲ ዝታኻየደ መስርሕ ገና ዝርዝር ሓበሬታ ይወጽእ እንተሎ’ኳ፡ እቲ ፕረዚደንት ከምዝበሎ ኣብቲ ስርሒት ሓደ ፖሊስ ተቐቲሉ ኣሎ። ሰራዊት እታ ሃገር ድማ፡ ጸኒሑ እቲ ውልቀሰብ ኩርንኩሪት ተኣሲሩ ብወተሃደራት እንትሕሎ ዘርኢ ምስሊ ኣቃሊሑ ኣሎ። ቅድም ክብል፡ ነቲ ወዲ 50 ዓመት ውልቀ ሰብ ንምሓዝ ኣሸሓት ወተሃደራት ዝሳተፍሉ ተደጋጋሚ ስርሒት ተፈቲኑ ከምዝነበረ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኦቶኔል፡ ገልፍ [ኡጋ ክላን] እናተብሃለ ዝጽዋዕ ዓሌት (ቀቢላ) መራሒ እዩ ነይሩ። ንሱ፡ ናይቲ ቀቢላ መራሒ ዝኾነ ሓዉ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ምኽባር ሓድሽ ዓመት እንተሎ ምስተቐትለ ንዕኡ ተኪኡ እዩ መራሒ ዝኾነ። ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ ጉጅለ ከቢድ ኣጽዋራት ዝተዓጠቐን ሓደገኛን ‘ዓማጺ’ ክብሉ እዮም ዝገልጽዎ። እቲ ጉጅለ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ተግባራት ዝሳተፉ ምስ ካልኦት ዓለም ለኻዊ ጉጅለታት’ውን ርክብ ከምዘለዎ እዩ ዝንገር። ልዕሊ 1800 ዕጡቓት ኣባላት ዘለውዎ ኾይኑ፡ ገሊኦም ኣብ ኣርጀንቲና፣ ብራዚል፣ ሆንዱራስ ካልኦት’ውን ኣብ ስፔን ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ይዝረብ። እቲ ዓመጸኛ ጉጅለ፡ ካብ ኮሎምብያ ክሳብ ኣመሪካ ኢሉ ድማ ክሳብ ሩስያ ዕጸ ፋርስ ዘዘዋውር እዩ። ኦተኔል ሕዚ ዕጸ ፋርስ ናብ ኣመሪካ ብምዝዋር፣ ፖሊስ ብምቕታልን ህጻናት መልሚልካ ብምዕጣቕን ዝኣመሰሉ ገበናት ክሕተት ትጽቢት ይግበር። ኣብ ኣመሪካ፡ ብ2009 ክሲ ዝተመስረቶ ኾይኑ፡ ሕዚ ናብ ኣመሪካ ተመሓላሊፉ ክወሃብ ከምዝኾነን ኣብ መጋባእያ ቤት ፍርዲ ኒውዮርክን ከምዝቐርብን ይግመት።","category":"መነቃቕሒ ባእታታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59027308"} {"headline":"ንዅሎም ኣሜሪካውያን ክቐትል ዝኽእል መጠን ‘ፈንታኒል’ ተታሒዙ","content":"ፈደራላዊ ተቘጻጸርቲ ዕጸፋርስ ኣሜሪካ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣሜሪካዊ ክቐትል እዅል መጠን ‘ፈንታኒል’ ዝተበሃለ ዓይነት ሓሺሽ ኣብ 2022 ከምዝሓዙ ኣፍሊጦም። ምምሕዳር ቍጽጽር ዕጸፋርስ (The Drug Enforcement Administration - DEA)፡ ቀተልቲ ክዀኑ ዝኽእሉ 379 ሚልዮን ዶዛት ፈንታኒል ከምዝሓዘ ገሊጹ። እታ ሓንቲ ንበይና ድማ ክልተ ሚሊግራም ጥራይ ትምዘን። እቲ ምምሕዳር፡ ነቲ ካብ ሄሮይን ብ50 ዕጽፊ ዝሓየለን ኣዝዩ ወልፊ ናይ ምትሓዝ ዓቕሚ ዘለዎን ንጥረ ነገር፡ ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ዘንፀላለወ ቀታሊ ስግኣት ዕጸፋርስ ክብል ገሊጽዎ። መብዛሕትኡ እቲ ፈንታኒል ካብ ሜክሲኮ ናብ ኣሜሪካ ከምዝኣተወ ድማ ሓቢሩ። ምምሕዳር ቍጽጽር ዕጸፋርስ (DEA)፡ ልዕሊ 4,500 ኪሎ ግራም ዝግመት ፈንታኒል ከምኡ'ውን ልዕሊ 50.6 ሚልዮን ዝተፈላለዩ ብሓኪም ዝተኣዘዙ ጸረ ቃንዛታት ብምምሳል ዝተሰርሑ ከኒናታት ፈንታኒል ከም ዝሓዘ ይገልጽ። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2021 ዝሓዝዎ ልዕሊ ዕጽፊ እዩ። መብዛሕትኦም እቶም ሓሺሻት ኣብ ሜክሲኮ ብዝርከቡ ሲናሎዋን ጃሊስኮን ዝበሃሉ ምስጢራዊ ኣሰጋገርቲ ዕጸፋርስ ዝፈርዩ ኰይኖም፡ ካብ ቻይና ዝመጽእ ኬሚካላት ከምዝጥቀሙ ይግለጽ። እቲ ዕጸፋርስ ኣዝዩ ሓያል ብምዃኑ፡ መጠን ኣብ ጫፍ ርሳስ ክልከ ዝኽእል ጥራይ ናብ ሞት ከቃልዕ ይኽእል። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 100 ሽሕ ኣሜሪካውያን ብሰንኪ ልዕሊ ዓቐን መድሃኒት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካብዚኦም ክልተ ሲሶ ምስ ፈንታኒል ከምዝተኣሳሰሩ ይግለጽ። ኣብዚ ዓመት ዝተታሕዘ መጠን ፈንታኒል ንዅሎም 330 ሚልዮን ነበርቲ ኣሜሪካ ንምቕታል እኹል ምዃኑ ትካል ምቍጽጻር ዕጸፋርስ ኣፍሊጡ። ኣመሓዳሪት እቲ ትካል ምቝጽጻር ዕጸፋርስ ኣን ሚልግራም፡ \"ቀዳምነት ስርሒት ትካልና ነቶም ሎሚ ንኣሜሪካውያን ምስ ዝቐትል ዘሎ ፈንታኒል ብቐንዱ ተሓተትቲ ዝዀኑ ክልተ ኣሰጋገርቲ ዕጸፋርስ ሜክሲኮ - ሲናሎዋን ጃሊስኮን ምብዳህ'ዩ\" ኢላ። ብዘይካ ፈንታኒል፡ ብዝሒ ዘለዎም ሜታምፌታሚ፡ ሄሮይንን ኮኬይንን እውን ተታሒዙ’ሎ።","category":"መነቃቕሒ ባእታታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ckr7r54r4p3o"} {"headline":"ሶማልያ ኣብ ልዕሊ ንግዲ ጫት ብዝገበረቶ እገዳ 3 ሚልዮን ዶላር ክትዕቕብ ክኢላ","content":"ኣብ ሶማልያ ኣብ ልዕሊ ናይ ጫት ንግዲ ብዝተገበረ ግዝያዊ እገዳ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ናይ ልዕሊ 3 ሚልዮን ዶላር ክዕቀብ ምኽኣሉ መራሒ ኣንጻር ንግዲ ጫት ዝንቀሳቀስ ጉጅለ፡ ኣቡበከር ኣወል ሓቢሩ። ሶማልያ፡ መዓልታዊ ብቶናት ዝቁጸር ጫት ካብ ኬንያ ከምእትቱ ኣቡበከር ኣወል ወሲኹ ሓቢሩ። ሶማሊያ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ብዝብል ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ሞቓዲሾ ዝግበሩ ዓለምለኻዊ በረራታት ደው ክብሉ ብምግባራ፡ እታ ሃገር ንጫት ተውጽኦ ዝነበረት ሸርፊ ወጸኢ ከተድሕን ክኢላ። ጫት ክእገድ ኣለዎ ኢሉ ብምጉስጓስ ዝፍለጥ ኣቡካር ኣዋሌ፡ እቲ እገዳ ንኹሉ ግዜ ክኸውን ጻውዒት ኣቕሪቡ'ሎ። እዚ ድማ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ፈርዩ ናብ ሞቓዲሾ ብነፋሪት ዝመጽእ ጫት፡ ንተጠቐምቲ ብዙሕ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት ከምዝፈጥሎም ይግለጽ። ሶማሊያ ዓለምለኻዊ በረራት ደው ካብ እተብል ክልተ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዘ ሰለስተ ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ብምግባራ፡ እቲ እገዳ ጫት ንሓዋሩ ንተቀጺሉ ንሶማልያ ዓቢ ቁጠባዊ መቀይሮ ክኸውን ከምዝኽእል ኣቡካር ኣዋሌ ይዛረብ። ደቂ ተባዕትዮ ሶማሊያ ብዝሒ ተጠቐምቲ ጫት ኮይኖም፡ ኣቡካር ኣዋሌ ሃገራዊ ሓደጋ እዩ ብምባል ክቃወሞ ጸኒሑ'ዩ።","category":"መነቃቕሒ ባእታታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52074806"} {"headline":"ፓራጓይ፡ 75 እሱራት ካብ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ሃዲሞም","content":"ምስ ብራዚል ኣብ ዝዳወብ ምብራቓዊ ክፋል ፓራጓይ ካብ ዝርከብ ቤት-ማእሰርቲ፡ ኣስታት 75 ዝዀኑ እሱራት ከምዝሃደሙ ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊጾም። እቶም እሱራት በቶም ኣብ ሓለዋ ዝነበሩ ሓለውቲ ነጻ ከምዝወጽኡ ይግለጽ። ኣብ ቐጽሪ እቲ ቤት-ማእሰርቲ፡ እቶም እሱራት ዝሃደሙሉ ጌለርያ ከምዝተረኸበን፡ እንተኾነ ንሱ ከም መሸፈኒ ናይቲ ስርሒት ክኸውን ከምዝኽእል ሰበስልጣን ሓቢሮም። ዝበዝሑ እቶም እሱራት ካብ ብራዚል ኮይኖም፡ ኣብ ምዝውዋር ዕጸ ፋርስ ዝተዋፈሩ ጉጅለታት ገበን ከምዝኾኑ ይግለጽ። ኣባላት ናይዚ ጉጅለ ገበን፡ ኣስታት 30 ሽሕ ኮይኖም፡ ኣብ ምሻጥ ዘይሕጋዊ ዕጸ ፋርስን ብረትን ዝተዋፈሩ፡ ካብ ብራዚል ተበጊሶም ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ፓራጓይ፤ ቦሊቨያ ከምኡ'ውን ኣብ ኮሎምብያ ከምዝሰርሑ ይንገር። ሰበስልጣን ነቲ ቤት-ማእሰርቲ ምስ ፈተሽዎ፡ ብዘይካ ሑጻ ዝሓዘ ክሻ ወላ ሓደ ሰብ ኣይረኸቡን። እንተኾነ፡ ሓደ እሱር በቲ ገለርያ ክሃድም ከምዝተታሕዘን፡ ኣብቲ ስርሒት ሓለውቲ እቲ ቤት-ማእሰርቲ ከምዝተሳተፉን ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ገሊጹ'ሎ። ብተወሳኺ፡ ሓላፊ ናይቲ ቤት-ማእሰርቲ ኣብ ዕረፍቲ እንከሎ፡ እቶም እሱራት በብቑሩብ ከወጽኡ ከምዝተገብሩ እቲ ሚኒስትሪ ገሊጹ። ሚኒስትሪ ፍትሒ እታ ሃገር ድማ፡ ኩሎም ኣብ ሓለዋ እቲ ቤት-ማእሰርቲ ዝተዋፈሩ ሓለፍቲ ክእሰሩን ካብ ስርሖም ክባረሩን ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኣሎ። እቶም ኣብ ሓለዋ ዝተዋፈሩ ሰባት 80 ሽሕ ዶላር ከምዝተዋህቡ ጭብጥታት ከምዘለዎምን ካብቶም ዝሃደሙ እሱራት ገሊኦም ንብራዚል ኣትዮም ክኾኑ ከምዝኽእሉን ሰብመዚ እታ ሃገር ይገልጹ። ኣብ መንጎ ብራዚልን ፓራጓይን ዝርከብ ዞባ፡ ዕጸ ፋርስ ዝንቀሳቐሰሉ መስመር ከምዝዀነ ይግለጽ።","category":"መነቃቕሒ ባእታታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51172171"} {"headline":"ኤማ ኮሮሬል፡ ኣመሪካ ብ 'ምስግጋር ዕጸ ፋርስ' ንዝጠርጠረታ በዓልቲ ቤት ኤል ቻፖ ኣሲራ","content":"በዓልቲ ቤት ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ፍሉጥ ሜክሲካዊ ኣሰጋጋሪ ሓሽሽ \"ኤል ቻፖ\" ጉዝማን፡ ብምስግጋር ዕጸ ፋርስ ተጠርጢራ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወት ሰብ መዚ ኣመሪካ ገሊጾም። ጓል 31 ዓመት ኤማ ኮሮኔል ካብ ዋሽንግተን ዲሲ ውጽእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዱሌስ እያ ኣብ ቀይዲ ኣትያ። ኮኬይን፣ ሜታምፌታሚን፣ ሄሮይንን ማሪዋንን ኣብ ምዝውዋር ኣብ ዝነበረ ውዲት ተሳትፎ ኣለዋ ዝብል ክሲ ቀሪቡላ ኣሎ። ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ጉዝማን ብምዝውዋር ሓሽሽን ዘይሕጋዊ ገንዘብን ኣብ ኒውዮርክ ንሕልፈት ተፈሪድዎ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ። ሓላፊ ሲናሎዋ ዝበሃል ጉጅለ ምስግጋር ሓሽሽ ዝነበረ ወዲ 63 ዓመት ጉዝማን፡ ናብ ኣመሪካ ልዑል መጠን ሓሽሽ ዝእቱ ዝነበረ ኢሎም ሰብ መዚ ኣመሪካ ይኸሱዎ። ብ 2019 ኣብ ዝተኻየደ መጋብኣያ፡ \"ኤል ቻፖ\" ዕጸ ፋርስ ብምዝውዋር ጥራሕ ዘይኮነ፡ ካልእ ጉጅለታት ንዝነበሩ መቐናቕንቱን ይቐትል፡ ከምኡ ድማ ንቆልዑ 13 ዓመት ኣዋልድ ሓሽሽ እናሃበ ይዕምጽ ነይሩ ብዝብል'ዩ ተፈሪዱ። በዓልቲ ቤቱ 'ውን ብቪድዮ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዲሲ ከም እትቐርብ ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ኣመሪካ ኣፍሊጡ። ኣብ ክሊ እቲ እትኽሰሰሉ ዘላ ውዲት ምስግጋር ዕጸ ፋርስ፡ ብ2015 በዓል ቤታ ካብ ቤት ማእሰርቲ ሜክሲኮ ኣብ ምህዳም ተሓባባሪት ነይራ ብዝብል ትኽሰስ። \"ኤል ቻፖ\" ካብ'ቲ ተኣሲሩሉ ዝነበረ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ሜክሲኮ ብምትሕግጋዝ ደቁ እዩ ኣምሊጡ። ደቁ ኣብ ጥቓ እቲ ቤት ማእሰርቲ መንበሪ ገዛ ዓዲጎም፡ ጂፒኤስ ዘለዎ ሰዓት ብሕቡእ ናብ'ቲ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምእታው ኤል ቻፖ ዝተኣሰረሉ ንጹር ቦታ ምስረኸቡ፡ ካብ'ቲ ዝዓደግዎ ገዛ ናብ'ቲ ቤት ማእሰርቲ ውሽጢ ንውሽጢ ብምኹዓት፡ ብፍሉይ ዝተሰርሐት ሞተር ብሽክለታ ገይሩ ክሃድም እዮም ገይሮምዎ። ሰነዳት ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ከም ዘመላኽቱዎ ድማ፡ በዓልቲ ቤቱ ብ2017 ናብ ኣመሪካ ቅድሚ ምትሕልላፉ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንክሃድም ንካልእ ውዲት ትዳሎ ነይራ ይብሉ። ንሳ ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝቐረቡላ ክስታት ዝሃበቶ ርእይቶ የለን። ኤማ ኮሮኔል ዜግነት ኣመሪካን ሜክሲኮን ዘለዋ ኮይና ኣደ መናቱ ቆልዑት'ያ።","category":"መነቃቕሒ ባእታታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/56165076"} {"headline":"ኣብ ማርሻል ኣይላንድስ 80 ሚልዮን ዶላር ዋግኡ ዋና ዘይብሉ ሓሽሽ ተረኺቡ","content":"ፖሊስ ማርሻል ኣይላንድ፡ ኣብ ገምገም ሓንቲ ደሴት ጥሒላ ኣብ ዝጸንሓቶም ጃልባ ልዕሊ 640 ኪሎ ዝመዘን ሓሺሽ ምርካቦም ሓቢሮም። ከም ግምት ፖሊስ እንተኾይኑ፡ እታ ጃልባ ካብ ላቲን ኣመሪካ ተበጊሳ ብሰላማዊ ውቕያኖስ ክትሰግር ኣብ ዝፈተነትሉ ዝጥሓለትን ኣብ ባሕሪ ኣዋርሕ ዝገበረትን እያ። እቲ ብፖሊስ ማርሻል ኣይላንድ ዝተረኸበ ሓሽሽ 649 ኪሎ ዝምዘን ኮይኑ ዋግኡ 80 ሚልዮን ዶላር ተገሚቱ ኣሎ። ኣብ ማርሻል ኣይላንድ ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ብተደጋጋሚ እዩ ዘጋጥም፤ ክንድዚ ክብደቱ ሓሺሽ ኣብ ሓደ ግዜ ክርከብ ግን እዚ ናይ መጀመርታ እዩ። ፖሊስ እቲ ብሰሉስ ዝረኸብዎ ሓሺሽ፡ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ከረጺት ተዓሺጉ ከምዝጸንሖም ብምግላጽ ንተወሳኺ መርመራ ናብ ኣመሪካ ከምዝሰደድዎ ኣፍሊጦም። ነታ 5.5 ሜትሮ ዝቑመታ ዝጠሓለት ጃልባ ኣብ ደሴት ኣይሉክ ዝርከቡ ነበርቲ እዮም ረኺቦማ። ካብቲ ዝጠሓለቶ ከውጽእዋ ኣብ ዝፈተንሉ ስለዝኸበደቶም ከኣ ሓገዝ ፖሊስ ሓቲቶም። ፖሊስ መጺኦም ነታ ጃልባ ኣውጺኦም ኣብ ዝፈተሽሉ እዮም ነቲ ሓሽሽ ክረኽብዎ ክኢሎም። ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ ማርሻል ኣይላንድ ሪቻርድ ሂክሶን፡ እታ ጃልባ ኣብቲ ዝተረኸበቶ ቦታ ልዕሊ ዓመት ገይራ ክትከውን ከምእትኽእል ብምሕባር፡ ካብ ማእከላይ ደቡብ ኣመሪካ ዝመጽአት ክትከውን ዘሎ ተኽእሎ ልዑል ምዃኑ ገሊጹ። ማዕበል ሰላማዊ ውቕያኖስ ክልዓል እንከሎ ናብ ገማግም ማርሻል ኣይላንድ ብዙሕ ጉሓፍ የምጽእ እዩ፡ ኣብቲ ጉሓፍ ቁጻራት ሓሺሽ ምርካብ’ውን ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ተርእዮ’ዩ። እቲ ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ ነቶም ነታ ጃልባ ምስ ርኣዩ ንሰብ መዚ ዝሓበሩ ነበርቲ እታ ደሴት ብምምስጋን ቅድሚ ሕጂ ሰባት ቁጻር ሓሽሽ ክረኽቡ እንከለዉ ብሕቡእ ይሸጥዎ ምንባሮም ሓቢሩ። ኣብ 2014 ሓደ ካብ ኢል ሳልቫዶር ብጃልባ ዝተበገሰ ውለቀ ሰብ፡ ጃልባ ተባላሽያቶ 13 ኣዋርሕ ዓሳ እናበለዐን፡ ኣብ ጃልብኡ ዝዓለባ ጨራሩ እናተመገበን ከምዝሓለፎ ብምሕባር ናብ ደሴት ኢቦን ናይ ማርሻል ኣይላንድ ምእታዉ ዝዝከር እዩ። ኣስታት 55,000 ነበርቲ ዘለውዋ ማርሻል ኣይላንድ ኣብ ሰለማዊ ውቅያኖስ ሰሜን ካብ ኤኳቶር እያ ትርከብ።","category":"መነቃቕሒ ባእታታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55345712"} {"headline":"ኣብ ሜክሲኮ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 14 ፖሊስ ተቐቲሎም","content":"ኣብ ምዕራባዊ ሜክሲኮ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 14 ፖሊስ ክቕተሉ እንከለዉ ካልኦት 3 ቆሲሎም። እቶም ፖሊስ፡ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ንምፍጻም እንትንቀሳቐሱ፡ ኣብ ክልል ሚቾካን እዩ መጥቃዕቲ ተፈጺሙዎም። እቲ መጥቃዕቲ ጃሊስኮ ኑዌቫ ብዝተብሃል ጉጅለ ገበነኛታት ከም ዝተፈጸመ ይእመን። ነቶም ገበነኛታት ኣብ ቀይዲ ንምውዓል ዝከኣል ኩሉ ከም ዝግበር ሰብ መዚ እታ ሃገር ይገልጹ። እቲ ከባቢ፡ ኣብ መንጎ ዕጸ ፋርስ ዘዘዋውሩ ጉጅለታት ንዓብላላይነት ብዝግበሩ ጎንጽታት ሰላም ዝሰኣነ እዩ። መራሒ ጉጅለ ጃሊስኮ ኑዌቫ ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ብፖሊስ ሚቾካን እዩ ተቐቲሉ። ኣብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብኣባላት እቲ ጉጅለ ከም ዝተፈጸመ የመላኽት። እቲ ጉጅለ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ከም ዝመጸን ፖሊስ እታ ግዝኣት ኮነ መንግስቲ ፌደራል እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ እቲ ዕጡቕ ክዕወቱ ከም ዘይከኣሉ ይግለጽ። መንግስቲ እታ ሃገር ምስ ዕጸ ፋርስ ተኣሳሲሮም ዝፍጸሙ ገበናት ንምክልኻል ብርቱዕ ጻዕሪ ይገብር እኳ እንተሃለወ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ቅትለት፡ 29 ሽሕ ሰባት ተፈጺሙ እዩ።","category":"መነቃቕሒ ባእታታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50052326"} {"headline":"ድሕሪ ዓሰርተ ዓመታት ዓወታ መዳልያ ኦሎምፒክ ዝተሸለመት ኣትለት፣ ግን ብኸመይ?","content":"ኬንያዊት ኣትለት ፓሜላ ጀሊሞ፡ ኣብ 2012 ኣብ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ፡ ኣብ 800 ሜትሮ ጉያ ራብዓይቲ እያ ወጺኣ። ድሕሪ 10 ዓመታት ከኣ ነሓስ መዳልያ ተዋሂባ ኣላ። ራብዐይቲ ወጺኣ ድኣ ናይ ምንታይ ሜዳልያ ዘየብል ኣይኮነን፡ እቲ ዛንታ ከምዚ’ዩ። እዛ ብ’ኤልዶረት ኤክስፕረስ’ ዝብል ሳጓ ኣትፍለጥ ኬንያዊት ኣትለት፡ ንሳ ራብዐይቲ ኣብ ዝወጽኣትሉ ኦሎምፒክ ለንደን 2012፡ ሩስያዊት ማሪያ ሳቪኖቫ’ያ ቀዳመይቲ ወጺኣ። እንተዀነ ኣብ 2015 እታ ቀዳመይቲ ዝወጽአት ሩስያዊት ኣትለት ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ከምዝወሰደት ዓለምለኻዊ ኮሚተ ኦሎምፒክ ስለዘረጋገጸ፡ እቲ ሳልሳይ ደረጃን ነሓስ መዳልያን ነታ ኣብቲ ውድድር ራብዓይቲ ኰይና ውድድራ ዝዛዘመት ኬንያዊት ፓሜላ ጀሊሞ ክወሃብ ተወሲኑ። ፓሜላ ጀሊሞ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓጺር ቃል፡ ተጠቃምነት ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ንስፖርት ሃሳዪ እዩ ኢላ ብምዅናን “ነቶም ነቲ ስፖርት ብቅንዕና ዝርህጽሉ ዘሻቕል’ዩ” ኢላ። ነታ ድሕሪ 10 ዓመታት ዝተወሃበታ ነሓስ መዳልያ ኦሎምፒክ ለንደን 2012 ኣመልኪታ ኸኣ፡ “እዚ ልክዕ ከም ሕልሚ’ዩ፡ ሓቂ ንምዝራብ ነሓስ መዳልያ ክወሃብ ምዃነይ ምስ ተነገርኩ ኣይኣመንኩን። ዝዀነ ኣትለት እቲ ዝለዓለ ሕልሙ ኣብ ኦሎምፒክ መዳልያ ምዕዋት’ዩ ክኸውን ዝኽእል፤ ኣነ ኸኣ ነዛ መዳልያ ብስድራይ ተዓጂበ ስለዝተቐበልክዋ ናይ ኵሉ ሓጐስ’ዩ ነይሩ” ኢላ።","category":"መነቃቕሒ ባእታታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c041j8eg503o"} {"headline":"ኣሜሪካ ኣብ ውሽጢ ርእሲ ብወልፊ ዝተጠቕዑ ሰባት መሳርሒ ክትተክል'ያ","content":"ጄሮድ ቡክሃተር ዝተበሃለ ወዲ 33 ዓመት ኣሜሪካዊ 'ኦፒዮይድ' ዝተበሃለ ሓሽሽ ወልፊ ካብ ዝሕዞ ልዕሊ 10 ዓመታት ኣቑጺሩ'ሎ። ነቲ ናይ ወልፊ ድልየታቱ ንምግታእ ድማ፡ ብሕክምናዊ መጥባሕቲ ኣብ ውሽጢ ርእሱ መሳርሒ ተገጢሙሉ። ነዚ ሕክምና ዝመርሕ ዶከተር ኣሊ ረዛይ፡ በዚ ሕክምና መጥባሕቲ ብዙሓት ሰባት ኣብ ውሽጢ ርእሶም ንኢሽተይ መሳርሒ ከም ዝተተኸለሎም ብምግላጽ፡ ን \"ንሓንጎል ሰላም ዜስፍን\" መሰራሒ ክብል ይገልጾ። በቲ ሕክምና ሽክና ርእሲ ብንኢሽተይ ምስተበስዐ ሓደ ሚሊሜርት ንውሓት ዘለዋ ንኢሽተይ መሳርሒ ናብ ሓንጎል (ኣእምሮ] ክትኣትው ይግበር። እዛ መሳርሒ ድማ ሰባት ካብ ወልፊ ክቑጠቡ ከም እትሕግዝ ይግለጽ። 'ዲፕ ብረይን ስቲሙሌሸን' ዝተበሃለት እዛ ደቃቕ መሳርሒ ካብ ቤት ዕዮ ቁጽጽር መግብን ኣፋውስን ኣሜሪካ ኣፍልጦ ረኺባ'ያ። እዚ ዓይነት ሕክምና፡ ብዘይካ ነቶም ወልፊ 'ኦፒዮይድ' ዘለዎም ሰባት፡ ካልኦት ን'ፓርኪንሰንስ' [ኣካላትካ ናይ ዘይምቁጽጻር ጸገም ጥዕና]፣ ዘውድቕ ሕማምን ካልእን ከም ዝውዕል ተገሊጹ'ሎ። ብወልፊ ዝተጸገሙን ብኻልእ ሕክምና ክሓውዩ ዘይከኣሉን ሰባት ነዚ ሓድሽ ኣማራጺ ክጥቀሙ ዶክተር ኣሊ ጸዊዑ። \"ልዕሊ ፍርቂ ካብ ግዳያት ወልፊ፤ ዳግም ናብቲ ወልፊ ይምለሱ\" ዝብል እቲ ዶክተር፡ ነዚ ውጽኢታዊ ዝኾነ ፍታሕ ምምጻእ ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ተዛሪቡ። እዚ መሳርሒ ናብ ሓንጎል ሰባት ክኣትው ምግባር ኣብ ጥዕና ከስዕቦ ዝኽእል ጉድኣት ኣመልኪቱ ሕቶ ቀሪቡ እዩ። ዶክተር ኣሊ ግን \"ብዛዕባ ሓንጎል ዝግበር መጽናዕቲ ብቴክኖሎጂ ክድገፍ ምኽኣሉ ብጣዕሚ ጽቡቕ ከም ዝኾነ እሓስብ\" ዝብል መልሲ ሂቡ።","category":"መነቃቕሒ ባእታታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50364807"} {"headline":"ፖሊስ ኒጀር ኣብ ውሽጢ መኪና ሓደ ከንቲባ 200 ኪሎ ግራም ኮኬይን ሒዙ","content":"ፖሊስ ኒጀር ኣብ ተሽከርካሪት ናይ ሓደ ከንቲባ ልዕሊ 200 ኪሎ ግራም ዝምዘን ኮኬይን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ በረኻ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ኣፍሊጡ። እቶም ብስም ዘይተጸርሑ ክልተ ተጠርጠርቲ ነቲ መደንዘዚ ዕጸ ፋርስ ካብ ማሊ ናብታ ሃገር ምስ ኣተወ ናብ ሊብያ እንተጓዕዝዎ እዩ ተታሒዙ ተባሂሉ። ፖሊስ ኤጀንሲ ዕጸ ፋርስ ኒጀር ከምዝበሎ፡ እቲ ኮኬይን ክሳብ ሕዚ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ካብ ዝተትሓዘ መጠን ዕጸ ፋርስ ዝለዓለ እዩ። ኣብቲ ከባቢ ዕጸ ፋርስ ሒዝካ ምንቅስቓስ ዝተለምደ እናኾነ መጺኡ ኣሎ። ብረቡዕ ማእከል ቤት ጽሕፈት ዘይሕጋዊ ዕጸ ፋርስ ኒጀር ከምዝበሎ፣ ልዑል መጠን ዘለዎ ኮኬይን በታ ሃገር ኣቢሉ ናብ ሊቢያ ክሰጋገር ምጽንሑ ከምዝፈልጥን ፖሊስ ኣሰር እቶም ጥርጡራት ክከታተል ከምዝጸንሐን ገሊጹ። በዚ መሰርት ድማ፤ ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልታት ብድምር 214 ኪሎግራም ዝምዘኑ 199 ሻንጣታት ኮኬይን፡ ኣብ ውሽጢ ተሽከርካሪት ከንቲባ ከተማ ፋቺ ከምዝተትሓዘ ወሃቢ ቃል ምቁጽጻር ዘይሕጋዊ ዕጸ ፋርስ ናና ዑስማን ባኮ ኣረዲኡ። እታ ተሽከርካሪ ብሰንበት ኣብ ቀይዲ እንትትውዕል ካብ ፋቺ ተልዒላ ናብ ሊቢያ ከተማ ዲርኮ ተምርህ ነይራ። \"ሃገርና ክንድዚ ዝኣክል ልዑል መጠን ዘለዎ ኮኬይን ክትሕዝ ንፈለማ እዋን እዩ\" ኢሉ እቲ ወሃቢ ቃል። ንሱ ወሲኹ'ውን፤ እቲ ዕጸ ፋርስ ኣብ መወዳእታ ናብ ኣውሮጳ ዘምርሕ ዝነበረ ኾይኑ፡ ኣብ ደገ ብዝሽወጥ ዋጋ ግምቱ ኣስታት 19 ሚሊየን ዶላር ከምዘውጽእ ተሓቢሩ። እቲ ከንቲባን ሹፌሩን ናብ ርእሰ ከተማ ኒጀር ዝኾነት ኒያሚ ንቃለ መሐትት ተወሲዶም ከምዘለዉ ምፍላጥ ተኻኢሉ። ፋቺ ካብ ከተማ ሰሜናዊ ኣጋዴዝ ኣስታት 400 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ኮይና፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ በረኻታት ቴነር ትርከብ ከተማ እያ። ብቴምርን ጨውን ንጡፍ ንግዳዊ ምንቅስቓሳት ድማ ትፍለጥ። እቲ መስመር፡ ብተደጋጋሚ ኣብ መንጎ ደቡብ ኣመሪካን ኣውሮፓን ዕጸ ፋርስን ስደተኛታትን ንምስግጋር ከምኡ'ውን ንካልኦት ዘይሕጋዊ ነገራት ንጉዕዓዝ እዮም ዝጥቀምሉ ተባሂሉ።","category":"መነቃቕሒ ባእታታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59864766"} {"headline":"ታይላንድ ንግዲ ካናቢስ ሕጋዊ ገይራ","content":"ታይላንድ ማሪዋና ዝተባህለ እጽ ካብ ዝርዝር ዘይሕጋዊ እጻት ምውጻኣ ስዒቡ ዜጋታታ ካናቢስ ኣብ ገዝኦም ከፍርዩን ክሸጡን ከምዝኽእሉ ሓቢራ። ኣብቲ ጽኑዕ ሕጊ ዕጻት ዘለወን ሃገራት ዝርከባሉ ዞባ ደቡብ ምብራቕ እስያ፡ ታይላንድ ነዚ ምምሕያሽ ዝገበረት ፈላሚት ሃገር እያ። እንተኾነ ነዚ እጽ ከም መዘናግዒ ምጥቃም ሕዚ እውን ክልኩል እዩ። መንግስቲ እታ ሃገር ምምዕባል ንግዲ ካናቢስ ንዓውዲ ሕርሻን ቱሪዝምን ከጠናኽር እዩ ዝብል ተስፋ ኣለዎ። ካብዚ ሓሊፉ መንግስቲ  ምፍራይ ካናቢስ ንምትብባዕ ሓደ ሚልዮን ዘርኢ ካናቢስ ኣዳልዩ ብነጻ ውሰዱ ይብል ኣሎ። እቲ ዕድል ዜጋታትን እታ ሃገርን ካብ ማሪዋና ኣታዊ ክረኽቡ ዕድል ከምዝፈጥር ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ገሊጹ ነይሩ። ንሱ ብካናቢስ ዝተሰርሐ ደርሆ ኣብ ፌስቡክ ብምልጣፍ ነቲ ሕጊ ዝኽተል ኩሉ ነቲ ምግቢ ክሸይጥ ከምዝኽእል ዝሓበረ ኮይኑ፡ መጠን እቲ እጽ ትሕቲ 0.2% ክኸውን ኣለዎ ኢሉ። ካብ ሓሙስ ጀሚሩ ዝተመዝገቡ ስድራቤታት ክሳብ ሽዱሽተ እግሪ ካናቢስ ኣብ ገዝኦም ከፍርዩ ተፈቒዱሎም ኣሎ። ፍቓድ ዝተውሃቦም ትካላት እውን ኣብቲ ምፍራይ ክሳተፉ ይኽእሉ። ተመገብቲ ኣብ እንዳምግቢ ካናቢስ ዘለዎ ምግብን መስተን ክእዝዙ ይኽእሉ እዮም። ታይላንድ ኣብ 2018 ካናቢስ ንሕክምናዊ ኣገልግሎት ክውዕል ዝፈቐደት ፈላሚት ሃገር ኮይና፡ እቲ ሐዚ ወጺኡ ዘሎ ሕጊ ድማ ሓካይም ብዘይስኽፍታ ኣብ ሕክምና ክጥቀሙሉ ዘኽእል እዩ። ኮይኑ ግና ሕዚ እውን ኣብ ህዝባዊ ከባቢታት ማሪዋና ምትካኽ ክልኩል እዩ። ብመሰረት  እዚ ሓድሽ ትልሚ፡ ምስ ምጥቃም ካናቢስ ብዝተሓሓዝ ዝተኣሰሩ ኣስታት 4,000 እሱራት ክፈትሕ ምዃኑ መንግስቲ ሓቢሩ። ኣብ ታይላንድ ካናቢስ ኣብ ባህላዊ ሕክምና ምጥቃም ነዊሕ ዕድመ ዘቑጸረ ልምዲ እዩ።","category":"መነቃቕሒ ባእታታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cp428844z1do"} {"headline":"ሩስያ ኦሎምፒክ 2020ን ዋንጫ ዓለም 2022ን ዝርከቦም ዓለማዊ ውድድራት ስፖርት ተኣጊዳ","content":"ሩስያ ኣብ ዓበይቲ ውድድራት ስፖርት ዓለም ንኸይትሳተፍ ብኤጀንሲ ጸረ ምጥቃም ሓይሊ ወሃብቲ ንጥረ ነገራት [ኣንቲ ዶፒንግ -ዋዳ] ንኣርባዕተ ዓመታት ተኣጊዳ። እዚ ከኣ ባንዴራ ሩስያ ኣብ ኦሎምፒክን ፓራሊምፒክን ቶክዮ 2020 ከምኡ ድማ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2022 ምጥቃም ይኽልክል። ሓይሊ ወሃብቲ ንጥረ ነገራት ብምጥቃም ዘይተጠርጠሩ ኣትሌታት ግን ባንዴራ ሩስያ ከይሓዙ ኣብቶም ውድድራት ክሳተፉ ከምዝኽእሉ እቲ ኤጀንሲ ኣፍሊጡ። ቀዳማይ ሚንስትር'ታ ሃገር ድሚትሪ መድቨደቭ ነቲ ውሳነ \"ሕዱር ኣንጻር ሩስያ ዘቕነዐ ጽላለ\" ክብል ገሊጽዎ። \"ኣብ ሩስያ ማለተይ ኣብ ማሕበረሰብ ስፖርትና ምስ ምጥቃም ሓይሊ ወሃብቲ ንጥረ ነገራት [ዶፒንግ] ዝተሓሓዙ ጸገማት ሎሚ'ውን ከምዘለዉ ፍሉጥ'ዩ\" ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚንስትር ነዚ ምኽሓድ ከምዘይከኣል ገሊጹ። እዞም ውሳነታት ክደጋገሙ ምኽኣሎም ግን ሓደ ግዜ ብዝተፈላለዩ መገድታት ተቐጺዖም ንዝጸንሑ ኣትሌታት ከምዝሃስዩ ኣዘኻኺሩ። ላዕለዋይ ኮሚቴ ዓለማዊ ኤጀንሲ ጸረ ሓይሊ ወሃብቲ ንጥረ ነገራት ሎሚ ሰኑይ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ'ዩ ነቲ ውሳነ ኣሕሊፉ። ሩስያ ኣብዚ ውሳነ ይግባይ ንምሕታት ናይ 21 መዓልታት ዕድል ከምዝተወሃባ ተፈሊጡ'ሎ።","category":"መነቃቕሒ ባእታታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50720954"} {"headline":"ኮሎምብያ፡ ስለምንታይ እያ ነቶም ብፓብሎ ኢስኮባር ዝውነኑ ዝነበሩ ጉማረታት ተምክኖም ዘላ?","content":"ኮሎምብያ፡ ብዕሉል ነጋዲ ዕጸ-ፋርስ ዝውነኑ ዝነበሩ ጉማረታት፡ ሓድጊ ናይቲ ሕማቕ እዋን ብምባል የምክንዎም ከምዘለዉ ተገሊጹ። ኣብ 1993 ብፖሊስ ዝተቐተለ ፓብሎ ኢስኮባር ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ብዙሓት እንስሳታት ናብ ኮሎምብያ ብምእታው ይውንኖም ምንባሩን ካብቶም ንሱ ናብ ኮሎምብያ ዘእተዎም እንስሳታት ኣንስተይትን ተባዕታይን ጉማረታት ከምዝርከብዎምን ይፍለጥ፡ ብልምዳዊ ኣጸዋውዓ ኸኣ 'ናይ ሓሺሽ ጉማረ' እናተባሃሉ'ዮም ዝጽውዑ። እቶም ጉማረታት ኣብቲ እዋን ኣትሒዞም ሃሸንዳ ናፖሊስ ኣብ ዝብሃል ቦታ እናተዋለዱ ይነብሩ ኣለዉ። መንግስቲ ኮሎምብያ፡ ካብቶም ልዕሊ 80 በጺሖም ዘለዉ ጉማረታት ነቶም 24 ዘምክን ከሚካል ወጊእዋም ኣሎ። ክኢላታት ስነ ከባቢ ኮሎምብያ፡ እቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ጉማረታት ድሕሪ እቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ እቶም ዝበዝሑ ጉጅለ ጉማረ ኮይኖም፡ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ዝነበሩ ዓሌታት እንስሳ ከባቲ ከባቢ ከምዘርሓቕዎም ብምግላጽ፡ ብዙሓት፡ እቶም ጉማረታት ክቅተሉ ወይ ክመኽኑ [ክቅጥቀጡ] ክጽውዑ ምጽነሖም ገሊጾም። ኣብ 1993፡ ሰብ መዚ ኮሎምብያ ነቲ ኣብ ሃሸንዳ ናፖልስ ዝርከብ ምዕሩግ መንበሪ ፓብሎ ኢስኮባር ምስ ተቆጻጸርዎ፡ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ እንስሳታት ናብ መካነ እንስሳታት ፋሕ ከምዝብሉ ክግብር እንከሎ፡ እቶም ጉማረታት ግን ኣብኡ እዮም ተገዲፎም። ተመራመሪት ስነ እንስሳ ናታሊ ካስቴለብላንኮ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት \"ብሓቂ ንጉማረታት ካብ ናብን ከተጓዓዕዞም ከቢድ'ዩ፡ ኣብቲ እዋን እቶም ሰብ መዚ ደይ ክሞቱ'ዮም ኢሎም እዮም ኣብቲ ቦታ ገዲፎሞም\" ኢላ። እንተኾነ እቶም ጉማረታት ቁጽሮም ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክውስኽ ጸኒሑ። ብመሰረት ካብ ክኢላታት ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ እቶም ጉማረታት ኣብታ ሃገር ፍሉጥን ቀንድን ንዝኾነ ፈለግ ማግዳለና ክመልእዎ ጀሚሮም። ክኢላታት ስነ ኣከባቢ ከምዝገልጽዎ፡ ህላወ ናይቶም ጉማረታት ንህወታዊ ብዙሕነት እቲ ከባቡ ብብዙሕ መዳያት ክጸልዎ ከምዝኽእል'ዮም ዝገልጹ። ኢስኮባር፡ ኣብ 1980ታት ኣብ ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካ ሓደ ካብ ዕሉላት ኣሰጋገርቲ ዕጸ ፋርስ ዝኾነ መደሊን ዝተብሃለ ጉጅለ ዝመስረተን ዝመርሕን ዝነበረ ኮይኑ፡ ብጭውያ፡ ብምስግጋር ዕጸ ፋርስን ብቕትለትን ተኸሲሱ ክድለ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 1993 ብፖሊስ ዝተቐተለ ሰብ እዩ። ኣብ መጀመርታ 1990ታት ካብ ዓለም ዝሃብተመ ሰብ ተባሂሉ'ውን ይግለጽ ነይሩ'ዩ።","category":"መነቃቕሒ ባእታታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58950902"} {"headline":"ኢኳዶር፡ 2.8 ቶን ዝምዘን ዕጸ ፋርስ ዝሰረቑ ሰባት ተታሒዞም","content":"ፖሊስ ኢኳዶር ካብ ሓደ ብመንግስቲ ዝውነን መኻዚኖ 2.8 ቶን ዝምዘን ዕጸ-ፋርስ ሰሪቆም ዝሃደሙ ሰባት ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ። እቲ ክስተት ኣብ ተና ዝተብሃለት ከተማ ዘጋጠመ ኮይኑ፤ ኣርባዕተ ካብቶም ሰረቕቲ ነቲ በይኑ ኣብ ሓለዋ ዝነበረ ፖሊስ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ነቲ ዕጸፋርስ ሰሪቖም ከምዝሃደሙ ወግዓዊ መግልጺ መንግስቲ እታ ሃገር ይሕብር። ሽዱሽተ ጥርጡራትን እታ ብዕጸ ፋርስ ቅጽጽ ዝበለት መኪናን ኣብ ትሕቲ ፖሊስ ከምዘለዉ'ውን ተገሊጹ ኣሎ። መንግስቲ እቲ ዝተተሓዘ ዕጸ ፋርስ እንታይ ዓይነት ምዃኑ'ኳ እንተዘይገለጸ፡ ብምልኡ ብሓዊ ክቃጸል ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ። እቲ ዕጸ ፋርስ ቅድሚ ሕጂ ካብ ኣሰጋገርቲ ዕጸ ፋርስ ዝተተሓዘን ከም መርትዖ ተዓቂቡ ዝነበረን ምኻኑ ግን ተሓቢሩ ኣሎ። ሃገረ ኢኳዶር ኣብ መንጎ እተን ካብ ዓለም ብምፍራይን ብምስግጋርን ዕጸ ፋርስ ቀዳሞት ዝኾና ሃገራት ፔሩን ኮሎምብያን እያ ትርከብ። ኣብ ዓመተ 2021 ፖሊስ ኢኳዶር 210 ቶን ዕጸ ፋርስ ካብ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ከምዝሓዘ ይዝከር፡ እዚ ኸኣ ኣብ ሓደ ዓመት ዝተታሓዘ ዝብዝሐ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ። ዝበዝሐ ካብቲ ዝተተሓዘ ናብ ወደባዊት ከተማ ጉያኵል እናኸደን ብመንገዲ እታ ወደባዊት ከተማ ናብ ኣውሮጳን ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ክሰጋገር ዝተሓሰበን እዩ። ዝሓለፈ ዓርቢ ፖሊስ ኢኳዶር ብጨና ዕጸ ፋርስ ናይ ምልላይ ክእለት ብዘለዎም ኣኻልብ ገይሮም ኣብ ውሽጢ ሳንዱቕ ናይ ባናና ዝተሓበአ ሰለስተ ቶን ዕጸ ፋርስ ምርካቦም ተገሊጹ ነይሩ። ፕረዚደንት ኢኳዶር ጉይለርሞ ላሶ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ሃገሩ ምስግጋር ዕጸ ፋርስ ንምግታእ ዓለምለኻዊ፡ ናይ ኮሎምብያ፡ ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ሓገዛት ከምዘድልያ ገሊጹ ነይሩ።","category":"መነቃቕሒ ባእታታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61076931"} {"headline":"ናታን ባጋለይ ዝተብሃለ ኣውስትራልያዊ ኣትሌት 152 ሚልዮን ዶላር ዝትመን ሓሽሽ ከእቱ ተረኪቡ","content":"ኣውስትራልያዊ ኣትሌትን ሓዉን 152 ሚልዮን ዶላር ዝትመን ሓሺሽ ናብ ኣውስትራልያ ከእትዉ ስለዝተረኸቡ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። እቲ ብንእሽተይ ጃልባ ዝግበር ናይ ምቅዛፍ ውድድር ንኣውስትራልያ ወኪሉ ኣብ ኦሎምፒክ ተወዳዲሩ ክልተ ብሩር መዳልያ ዝረኸበ ናታን ባጋለይን ድሩ ባጋለይ ዝተብህለ ሓዉን ኣብዚ ወርሒ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ። ክልቲኦም ኣሕዋት ገበነኛታት ከምዘይኮኑ'ዮም ዝካትዑ ዘለዉ። ደሩን ካልእ ሓደ ሰብን፡ ሓይሊ ባሕርን ሓይሊ ኣየርን ኣውስትራልያን ብዝተሳተፍዎ ስርሒት'ዮም ኣብ 2018 ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። ናታን ባጋለይ ኸኣ ነታ ንሶም ሓሺሽ ከእትውላ ዝሓዝዋ ጃልባ ስለዝገዝኣሎም እዩ ኣካል ናይቲ ገበን ኮይኑ ዘሎ። ድሩን እቲ ካልኣዩ ኣንቶኒ ድራፕር ዝተብሃለ ውለቀሰብን ካብ ገማግም ኣውስትራልያ ብጃልባ ናይ 11 ሰዓታት ጉዕዞ ብምክያድ እዮም ኣብ ሰነ 2018 ነታ ካብ ወጻኢ ነቲ ሓሽሽ ሒዛ ዝመጽአት መርከብ ረኺቦም ነቲ ሓሽሽ ተቐቢሎም። እንተኾነ፡ ነቲ ሓሺሽ ካብታ ናይ ወጻኢ መርከብ ተቐቢሎም ናብ ኣውስትራልያ ከእትውዋ ኣብ ዝፈተንሉ ብነፋሪትን ሓይሊ ኣየርን ናይ ሓይሊ ባሕሪ መርከብን ምክትታል ይግበረሎም ስለዝነበረ ክተሓዙ ክኢሎም። ካብ ነፋሪት ዝተሰኣለ ስእሊ ዱሩ ጥማራት ሓሽሽ ናብ ባሕሪ እናደርበየ ድራፐር ኸኣ ካብታ ትስዕቦም ዝነበረት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣውስትራልያ እናሃደመ እንከሎ የርኢ። ኣብ መወዳእታ ግን ብናይኵንስላንድ ፖሊስ ተታሒዞም። ዱሩ፡ ትምባኾም'ምብር ሓሺሽ ክቅበል ኢሉ ከምዘይሓሰበ ብምሕባር እቲ ምስኡ ዝነበረ ድራፕረ ዝተብሃለ ውለቀ ሰብ ጨውዩ ናብታ ሓሽሽ ዝተቐበሉላ መርከብ ከምዝወሰዶ ቃሉ ሂቡ ኣሎ። \"ኣነ ዝብለካ እንተዘይጌርካ ንስድራኽ ከጥፍኦም'የ\" ኢሉ ድራፕር ከምዘፈራረሖ'ውን ዱሩ ሓቢሩ። ድራፕረ ብወገኑ፡ ድሩ ነታ ጃልባ ክመርሓሉ ኢሉ ስራሕ ከምዝቖጸሮ እዩ ዝሕብር። ኣኽባሪ ሕጊ ብወገኑ እቲ ኣብ 2004 ኣብ ኣቴንስ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ክልተ ብሩር መዳልያ ንኣውስትራልያ ዘግዘመ ናታን ባጋላይ ነታ ጃልባ ከምዝዓደጋን ናይ ሳተላይት ቴሎፎንን ናይ ጉዕዞ ባሕሪ መሐበሪ (ናቪጌሽን ሲስተም) ከምዘግጠመላ ገሊጹ። ናታን ብወገኑ፡ እታ ጃልባ ዱሩ ሓዉ ብዝሃቦ ገንዘብ ከምዝገዝኣን እታ ጃልባ ዓሳ ነባሪ ዝርኣየላ 'ቢዝነስ' ክሰርሑላ ከምዝገዝእዋ ማዕከን ዜና ኤቢሲ ንቃል ናታን ብምጥቃስ ኣቃሊሓ። ብዘይካ እዚ ናታን ባጋላይ ናይታ ጃልባ ቁጽሪ መዝገብ ክድምስስ ከምዝፈተነ ኣኽባሪ ሕጊ መርትዖ ከምዘለዎ'ውን ገሊጹ ኣሎ። እዞም ክልተ ኣሕዋት (ናታንን ድሩን) ብምዝውዋር ዕጸፋርስ ንመጀመርታ ግዜ ኣይኮኑን ዝኽሰሱ ዘለዉ። ቅድሚ ሕጂ'ውን ምስ ሓደ ሓሽሽ ዘፍሪ ጉጅለ ርክብ ኣለኩም ተባሂሎም ነይሮም እዮም፡ ኣብ 2009'ውን ምስ ምዝውዋር ሓሽሽ ዝተኣሳሰር ክሲ ቀሪብሎም ነይሩ እዩ። ብመሰረት ማዕከን ዜና ኤቢሲ ዘቃለሖ ዜና እዞም ክልተ ኣሕዋት ገበነኛታት ኮይኖም እንተተረኺቦም ንሕልፈት ክእሰሩ ይክእሉ እዮም።","category":"መነቃቕሒ ባእታታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56614072"} {"headline":"ፈለስቲ ሓሺሽ ብምልማዶም ጥርሑ ዝተረፈ ገዳም","content":"ኣብ ታይላንድ ዝርከብ ሓደ ንእሽተይ ገዳም ተኸተልቲ እምነት ቡድሃ፡ እቶም ፈለስቲ መርመራ ሓሺሽ ምስ ተገበረሎም፡ ሓሺሽ ከምዝወስዱ ስለዝተረጋገጸ፡ እቲ ገዳም ጥርሑ ከምዝተረፈ ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ኣፍሊጦም። ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ዞባ ፔታቹቡን ዝርከብ ገዳም፡ ኣበገዳም ዝርከቦም ኣርባዕተ ፈለስቲ መርመራ ምስ ተገበረሎም ኣብ ደሞም ሜታፎታሚን ዝበሃል ዓይነት ሓሺሽ ከምዝተረኸቦም ሰብ መዚ እቲ ዞባ ንኤኤፍፒ ሓቢሮም። እቶም ፈለስቲ ካብቲ ወልፊ ንኽገላገሉ ሕክምናዊ ሓገዝ ንኽግበረሎም ናብ ፍሉይ ሕክምና ተወሲዶም ከምዘለዉ’ውን ተገሊጹ። መንግስቲ ታይላንድ፡ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ዕጸ-ፋርስ ንምቍጽጻር ተፍትሽን መርመራን ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን’ዩ እቶም ፈለስቲ ጉዶም ክፍለጥ ተኻኢሉ። እቶም ፈለስቲ፡ ካብቲ ገዳም ጠቕሊሎም ከምዝተሰጐጕ’ኳ እንተተገለጸ፡ እቲ ገዳምን እቶም ፈለስትን ብምንታይ ምኽንያት ኣተኵሮ ፖሊስ ከምዝሰሓቡ ግን እቶም ሰብ መዚ ኣይገለጹን። ቡንለርት ቲንታፒታይ ዝተበሃለ በዓል መዚ እቲ ዞባ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ሕጂ እቲ ገዳም ብዘይ ፈለስቲ ጥራዩ’ዩ ዘሎ፣ እቶም ኣብቲ ከባቢ እቲ ገዳም ዝርከቡ ነበርቲ’ውን ናብቲ ገዳም ከይዶም ዝዀነ እምነታዊ ንጥፈታት ከካይዱ ከምዘይክእሉ ተሓቢርዎም ኣሎ” ኢሉ። ኣብ እምነት ቡድሃ፡ ተኸተልቲ እቲ እምነት ንፈለስቲ መግቢ ብምሃብ ንነብሶም ዝከላኸለሎም ሓይሊ ከምዝረኽቡ ዓቢ እምነት’ዩ ዘለዎም። ቡንለርት ቲንታፒታይ፡ እምነት ናይቶም ተኸተልቲ እቲ ሃይማኖት ንምኽባር፡ ሰብ መዚ እቲ ዞባ ናብ ላዕለዋይ ሓላፊ ገዳማት ብምሕባር፡ መተካእታ እቶም ካብቲ ገዳም ዝተኣለዩ ፈለስቲ ካልኦት ፈለስቲ ናብቲ ገዳም ክምጽኡ ምዃኖም ቃል ከምዝተኣተወሎም ንኤኤፍፒ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ቅሩብ ዓመታት ኣብ ታይላንድ ዝርገሐ ሜታፎታሚን ዝተበሃለ ዓይነት ሓሸሽ ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ ምብጽሑ’ዩ ዝግለጽ። ብመሰረት ካብ ቤት ጽሕፈት ዕጸ-ፋርስን ገበናትን ሕቡራት ሃገራት ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ 2021 ዝበዝሐ ሜታፎታሚን ከምዝተረኸበ ይገልጽ። እታ ሃገር ዝበዝሐ ሜታፎታሚን ዝሰጋገረላ ሃገር ከምዝዀነት’ውን መዛግብቲ ይሕብሩ። ኣብ ዓለም እታ ዝበዝሐ ሜታፎታሚን እተፍሪ ሃገር ምያንማር ኰይና፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዝፈሪ ሓሽሽ ብታይላንድ ኣቢሉ ብሕቡእ ናብ ካልእ ሃገራት ከምዝከፋፈል ይሕበር። እቲ ብመልክዕ ከኒና ዝዳሎ ሓሺሽ ኣብ ጐደናታት ታይላንድ ንሓንቲ ብሕሳብ 50 ባህት [1.40 ዶላር] ከምዝሽየጥ ፖሊስ እታ ሃገር ይሕብር። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሓደ ሓላፊ ፖሊስ ብሰንኪ ተጠቓምነት ሓሺሽ ሜታፎታሚን ካብ ስራሕ ምስ ተሰጎገ፡ ናብ መውዓሊ ህጻናት ኣድራጋ ጠያይት ብምትኳስ 37 ሰባት ድሕሪ ምቕታሉ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ታይላንድ ፑርያዝ ቻን ኦቻ ጉዳይ ዕጸ-ፋርስ ብጽኑዕ ክትሓዝ ምእዛዙ ይዝከር።","category":"መነቃቕሒ ባእታታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c97q0vvqy3xo"} {"headline":"ፖሊስ ታይላንድ፡ ብጌጋ ሓሽሽ ዝተሓብኣ መኪና ናብ ጨረታ አቕሪቡ","content":"በዓል መዚ ጸረ-ሓሽሽ ታይላንድ፡ ፖሊስ ብጨረታ ኣብ ዝሸጣ መኪና፡ ካብ ኣምፈታሚን ዝተበሃለ መነቓቕሒ ባእታ ዝተዳለዉ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸር ከኒና ክርከብ ብምኽኣሉ ይቕረታ ሓቲቱ። ነታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተትሓዘት ሆንዳ ሲ-ኣርቪ ዓይነት መኪና ብጨረታ ዝዓደገ ውልቀሰብ 19,000 ዶላር'ዩ ከፊሉ። ተዓዋቲ ጨረታ መኪንኡ ጽገና ክግበረላ ናብ ጋራዥ ይወሰዳ። መካኒክ እቲ ጋራጅ ክፈታትሓ ምስጀመረ ድማ፡ ኣብቲ ንግጭት መከላኸሊ ብዝብል ኣብ ቅድሚት ዝግጠም ሓጺን [ባምፐር] 94,000 ከኒናታት ረኺቡ። \"ብመሰረት ኣሰራርሓና ኣብ ኩለን ዝበጽሓና መኻይን ፈተሻ ነካይድ ኢና፤ ኣብዛ መኪና'ውን ከምኡ። ሽዑ ግን እቶም ከኒናታት ብጥንቃቐ ዝተሓብኡ ብምንባሮም ዋላ ሓደ ነገር ኣይረኸብናን\" ኢሉ ዋና ጸሓፊ ቦርድ ቁጽጽር ሓሽሽ፡ ኒዮም ተርመስሪሱክ። ንሱ፡ እቶም ብጥንቃቐ ተሓቢኦም ዝተረኸቡ ከኒናታት ሕዋስ ሜታምፌታሚንን ካፌይንን ዝሓዙ ከምዝኾኑ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቀይዲ ክትኣትው ከላ፡ 100,000 ከኒናታት ኣብ ናይ ድሕሪት ወንበር ከምዝተረኸ ድማ ኣዘኻኺሩ። ሰበስልጣን ታይላንድ ኣብ 2018 ጥራይ 516 ሚልዮን ክኒና ሓሽሽ ከምዝሓዙ ይገልጹ።","category":"መነቃቕሒ ባእታታት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51253895"} {"headline":"300 ቶን ረድኤት ናብ ኣላማጣ ምብፅሑ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ","content":"ሰብኣዊ ረድኤት ዝፀዓና ቃፍላይ መኻይን ካብ ክልል ኣምሓራ ኮምቦልቻ ሰጊረን ናብ ትግራይ ከምዝኣተዋ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ገሊፁ። እቲ ናብ ከተማ ኣላማጣ ዝበፅሐ \"300 ቶን [3,000 ኩንታል] ስርናይ፣ ዝተፃፀየ ዓይኒ ዓተርን ዘይቲን ይራገፍ ኣሎ\" ክብል እቲ ትካል ሓቢሩ'ሎ። ሎሚ ሓሙስ ናብቲ ከባቢ ዝኣተወ ረድኤት ብቐጥታ ናብ 67 ሽሕ ሰባት ነበርቲ ኣላማጣ ክዕደል ምዃኑ'ውን ወሲኹ ሓቢሩ። \\n\\n\"ብኹሎም ኮሪደራትት ኣቢልካ ብጽርግያ ዝበፅሕ ሓገዝ ወሳኒ እዩ\" ክብል ኣብቲ ብትዊተር ዝዘርግሖ ሓፂር ሓበሬታ ኣተሓሳሲቡ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ናይ መግቢ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት ናብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከምዝኣተዋ ትማሊ ምግላፁ ይዝከር። እቲ ትካል ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ብመስመር ጎንደር ዝኣተወ ቃፍላይ ድሕሪ ሰነ 2021 ንፈለማ እዋን ዝኣቱ ዘሎ ምዃኑ ጠቒሱ። \"ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ህጹጽ ናይ መግቢ ረዲኤት ነቶም ኣብ ከተማ ማይ ጸብሪ ዘለዉ ማሕበረሰባት ክበጽሕ'ዩ። ተወሳኺ መግቢ፡ መኣዛዊ ትሕዝቶ ዘለዎ መግቢ፡ ሕክምናዊ ነገራት ዝሓዘ ጽዕነታት ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ብኹሉ ዝክኣል መስመራት ክስዕብ'ዩ\" ክብል ድማ ኣፍሊጡ። ብዘይካ'ዚ፡ ንፈተነ ናብ ከተማ ሽረ ናይ ፈተነ በረራ ከምዘካየደ እቲ ትካል ትማሊ ሓቢሩ'ሎ። \"ሰራሕተኛታት ረዲኤትን ኣገዳሲ መዓዛዊ መግቢን፡ ሕክምናዊ ቀረባትን ንምጉዕዓዝ ተወሳኺ በረራታት ንምስዳድ ውጥን ኣሎ\" ኢሉ። \"ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ኣብ ምሉእ እቲ ክልል እኹል ሸፈነ ንምሃብ ናብ መቐለ ዝግበር ናይ ኣየር በረራታት'ውን ከድሊ'ዩ\" ይብል ፕሮግራም መግቢ ዓለም። ብሰኑይ 15 ሕዳር፡ መድሃኒት ዝጸዓና ቃፍላይ መካይን ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ናብ ከተማ መቐለ ኣትየን ነይረን። እተን ክልተ ናይ ፅዕነት መኻይን መድሓኒታት፣ ኣብ እዋን ሓደጋን ቀዳማይ ረድኤት ሕክምናን ዘገልግሉ ናውቲ ከምዝሓዛ ትማሊ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ጠቒሱ ነይሩ። ሜዲካል ዳይሬክተር ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ዶክተር ክብሮም ገብረስላሴ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓፂር ሓበሬታ፡ እተን መኻይን ናብ መቐለ ብዛዕባ ምምፀአን ከምዝሰምዑ ብምግላፅ፡ ዛጊድ ግን ናብ ሆስፒታሎም ዝበፅሐ ሓገዝ ከምዘየለን እንታይ ዓይነት መድሓኒት ፅሒነን ከምዝመፅአ ከምዘይፈልጡን ተዛሪቡ። ሎሚ ሰሉስ'ውን፡ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ንፈለማ እዋን ሰብኣዊ በረራታት ናብ ትግራይ ከምዝጀመረ እቲ ማሕበር ቀይሕ ሓቢሩ'ሎ። \"ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣብ ከተማ ሽረ ናይ ፈተነ በረራ ኣካይዱ'ሎ\" ድሕሪ ምባል \"እቲ ግጭት ድሕሪ ምውልዑ ድሕሪ ክልተ ዓመት ዝተገብረ ሰብኣዊ በረራ\" ምዃኑ ጠቒሱ። \"ናብ ትግራይ ዝካየድ በረራታት ምጅማር፡ ጸበባ ናይቶም ህጹጽ ደገፍ ዘድልዮም ንምፍታሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ብቕልጡፍ ናብቲ ክልል ክኣቱ ዝሕግዝ'ዩ\" ኢሉ። ዝበዝሕ ክፋላት ትግራይ፡ ውግእ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ናይዚ ዓመት ዳግማይ ድሕሪ ምውልዑ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ዕጽዋ ኣትዩ፡ ዝኾነ ረዲኤት ክበጽሖ ከምዘይጸንሐ ይፍለጥ። ትካላት ረዲኤት፡ ኣስታት 6 ሚልዮን ህዝቢ ናይቲ ክልል ህጹጽ መግብን መድሃኒትን ዝርከቦ ሰብኣዊ ሓገዝ ብህጹጽ ክበጽሖ ክሓቱ ጸኒሖም'ዮም። እዚ ናብቲ ክልል ክበጽሕ ጀሚሩ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ብመሰረት ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተዛዘመ ናይ ኬንያ ርክብ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን'ዩ ተረጋጊጹ ዘሎ። ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ህዝቢ እቲ ክልል ምብጻሕ ሓደ ካብ ቀንዲ ስምምዓት ፕሪቶርያን ናይሮቢን እዩ። ብመሰረት ዓንቀጽ 5 ውዕል ፕሪቶርያ፡ ተዋጋእቲ ወገናት እዚ ዝስዕብ ከተግብሩ ተሰማሚዖም ኣለዉ። \"ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሃብ ምትሕብባር\" ከምኡ'ውን \"ንኹሉ ዝቐርብ ሰብኣዊ ሓገዛት ብኣፍልጦን ምክትታልን መንግስቲ ክኸውን። \"ሰራሕተኛታትን ትካላትን ሰብኣዊ ረድኤት ብዝሓትዎ መሰረት ውሕስነት ድሕነት ክወሃቦም\" ዝብል ይርከቦ እቲ ኣብ ናይሮቢ ዝተፈረመ ኣዋጅ። እቲ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያን ሰፊሕ ምፍንቓልን ጥምየትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ'ሎ። ክልቲኦም ተጻባእቲ ብ2 ሕዳር ኣብ ፕሪቶርያ ኣብ ዝፈረምዎ ስምምዕ፡ ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት ብምክያድ፡ ነቲ ኩነታት ናብ ንቡር ንምምላስ ቃል ኣትዮም ኣለዉ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c6pvr6l3l2vo"} {"headline":"ዋላ ሓንቲ ባኮ ሓገዝ ትኹን ዓባዪ ረብሓ ኣለዋ' ቢሮ ጥዕና ትግራይ","content":"ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ሰሉስ 15-11-2022 “ቅድሚ ኩሉ ህይወት ምድሓን” ክብል ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓፂር ሓበሬታ፡ መድሓኒታት ዝፀዓና መኻይን ናብ መቐለ ከምዝኣተዋ ኣፍሊጡ ነይሩ። ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ፡ “ብደም ሰራውር ዝወሃብ ፈሳሲ [ኢንፊዩዥን]፣ ናይ ቁስሊ መሕጸቢን መሸፈኒን፣ ንናይ ዓጽሚ ስብራት መእሰሪ ዝኸውን [ጀሶ]፣ ጓንት ከምኡ'ውን ንሕክምና መጥባሕቲ ዘገልግሉን ንፊዝዮቴራፒ ዝሕግዙን ናውቲ ኣትዮም ኣለዉ\" ኢሉ። ኣብ መቐለን ከባቢኣን ናብ ዘለዋ ሆስፒታላት ንምክፍፋል ተሓሲቡ ከምዘሎ ብምሕባር \"ንሕና እነከፋፍለሉ ነዳዲ ስለዘይብልና ባዕሎም ቀይሕ መስቀል ከከፋፍሉ ኢና ንሓቶም ዘለና” ክብል ነቲ ዘሎ ፀገም ገሊፁ። ወሃቢ ቃል ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ጁድ ፉህንዊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “ዛጊድ እቲ ናይ ሕክምና ናውቲ ክበፅሖም ዝበልዮም 7 ሆስፒታላት ኣነፂርና ኣለና፤ ክሳብ ዓርቢ [18-11-2022] ክበፅሕ'ዩ\" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። “ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣጋጢሙና ዘሎ ቀንዲ ዕንቅፋት ምስቲ ክሳብ ሕጂ ናብቲ ክልል ዝበፅሕ ሰብኣዊ ቀረብ ክነጻጸር እንከሎ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ጠለብ ኣዝዩ ዓቢ ምዃኑ እዩ። ስለዚ፡ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ናብ ትግራይ ዝብገስ ካልእ ቃፍላይ ክህልወና እዩ” ክብል ጁድ ቀፃሊ ውጥን ትካሎም ሓቢሩ። “ብሚእቲ ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ተመዛቢሉ ፎቖዶ ጎቦን ሽንጥሮን እዩ ዘሎ፤ ዓሶ ኣብ ዘለዎ ኸባቢ። ናይዞም ሰባት ኩነታት ምንም ዝፍለጥ ነገር የለን። ዝሕግዞም ዘይመንግስታዊ ትካል’ውን የለን። ኩሎም ናብኡ ንክኸዱ ኣይተፈቐደሎምን ዘሎ” ይብል ዶክተር ኣማኑኤል። ኣብታ ክልል ካብ ዝርከባ ሆስፒታላትን ጣብያታት ጥዕናን ሕጂ’ውን መብዛሕትአን ስራሕ ኣይጀመራን ወይ መሊአን ኣይሰርሓን ዘለዋ። ዘይመንግስታዊ ትካላት ሕጂ’ውን ተበጻሕነቶም ድሩት እዩ። እንተኾነ ግን ኣብታ ክልል ዘሎ ህዝቢ ኣዝዩ ህጹጽ መድሕን ህይወት ረድኤት ዘድልዮ እዩ። “ናይ ኩሊት ሕሙማት ብጣዕሚ እዮም ዘሕዝኑ። ኣብ ከቢድ ኩነታት እዮም ዝርከቡ፤ ሞት’ውን የጋጥም ኣሎ። ነዚ ዝኸውን ናውቲ ሕክምና ኣብ ደገ ዝነብሩ ተጋሩ ብዝገበርዎ ሓገዝ ተገዚኡስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣሎ። ቀይሕ መስቀል ተቐቢሉ ከምጽአልና ንደሊና ኢና” ክብል ምሕፅንትኡ ኣቕሪቡ። “ሰብ ክርድኦ ዘለዎ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ንዓና፡ ዋላ ሓንቲ ባኮ ትኹን ዓባዪ ረብሓ ኣለዋ” ዝበለ ዶክተር ኣማኑኤል፡ እንተኾነ ግን እቲ ዝኣተወ ሓገዝ ምስ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ድሌት ፈጺሙ ከምዘይመጣጠን ሓቢሩ። ቅድሚ እቲ ውግእ ምጅማሩ፡ ናይ ሕክምና ኣቑሑትን ካልኦት ቀረባትን ንምግዛእ ትግራይ ኣብ ዓመት ናይ ልዕሊ 1.2 ቢልዮን ቅርሺ በጀት ነይርዋ። ምስኡ ክነጻጸር እንከሎ “ኣብ 2022 ትግራይ ጠቐላላ ካብ ዘድልያ 5 [ሚእታዊ] ጥራይ እዩ ነይሩ። ኣብ ከምኡ ዝበለ ሕማቕ ኩነታት እናሃለወ እዩ እቲ ውግእ [ዳግማይ] ተጀሚሩ። ምሉእ ብምሉእ ድማ ተቛሪፁ” ኢሉ። ካብ ዓሚ መጋቢት ጀሚሩ ናይ ሕጻናት ክታበት ብዘይምህላዉ ብዙሓት ቆልዑ ንሓደጋ ተቓሊዖም ከም ዘለዉ ዝገለፀ እቲ ዶክተር \"ቆልዑ ብዕድል እዮም ዝዓብዩ ዘለዉ\" ክብል ንኽብደት እቲ ፀገም ኣረዲኡ። ንሱ ከምዝበሎ፡ ቅድሚ እቲ ኲናት ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ነብሰፆር ኣደ ምስወለደት መድመይቲ ከየጋጥም ከምኡ'ውን እቲ ማህጸን ናብ ቦትኡ ንኽምለስ ዝወሃብ መድሓኒት ኣብ ኩለን ሆስፒታላት ትግራይ ከምሕጽረት ‘ውን ተላዒሉ ኣይፈልጥን። ኣብዚ እዋን ግን እቲ መድሓኒት ከምዘየለ እዩ ገሊፁልና። ናይ ኤችኣይቪ፣ ዓባይ ሰዓል፣ ዓሶ ብዙሕ ጠለባት ኣሎ፤ ዛጊት ግን ኣይመጸን። ናይ ላብራቶሪ፣ መንሽሮ፡ ንዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝውዕል፣ ናይ ሽኮር፣ ሕማማት ልቢ፣ ኩሊትን ጉበትን ዝበሉ ሕማማት ዝውዕሉ መድሓኒታት \"ከምዘየለውን ከምዘይመጹን\" ወሲኹ ሓቢሩ። ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ሽረ ዝርከቡ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ካብታ ከተማ ወጻኢ ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት ንዘሎ ህዝቢ ሓገዝ ክህቡ ከምዘይከኣሉ የረድእ። ካብ ሽረ ወጺኦም ክኸዱ “ፍቓድ ከምዘይብሎም እየ ዝፈልጥ” ኢሉ። እቲ ኣብ ትግራይ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ምፍንቓልን ጥምየትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ከምዘስዓበ ዝፍለጥ እዩ። ብፍላይ ኣስታት 6 ሚልዮን ህዝቢ ክልል ትግራይ ህጹጽ መግብን መድሃኒትን ዝርከቦ ሰብኣዊ ሓገዝ ብህጹጽ ክበጽሖ ከምዘድሊ ትካላት ረዲኤት ይገልፁ። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ዳግማይ ምውላዕ ኲናት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ዕጽዋ ኣትዩ፡ ዝኾነ ረዲኤት ክበጽሖ ከምዘይጸንሐን ሚልዮናት ንሓደጋ ጥምየት ከምዝተቓልዑን ክግለፅ ፀኒሑ’ሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ኩነታት ናብ ንቡር ንምምላስ ስምምዕ ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣብ ዝገበሩሉ እዋን ካብ ሞንጎ ዝተረዳዱኡሎም ነጥብታት እቲ ሓደ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ህዝቢ እቲ ክልል ምብጻሕ ዝብል ነይሩ። \"ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሃብ ምትሕብባር\" ከምኡ'ውን \"ንኹሉ ዝቐርብ ሰብኣዊ ሓገዛት ብኣፍልጦን ምክትታልን መንግስቲ ከምዝኸውን\" ዓንቀጽ 5 ውዕል ፕሪቶርያ የቐምጥ። ብተወሳኺ እቲ ኣብ ናይሮቢ ዝተፈረመ ውዕሊ \"ሰራሕተኛታትን ትካላትን ሰብኣዊ ረድኤት ብዝሓትዎ መሰረት ውሕስነት ድሕነት ክወሃቦም\" ከምዝግባእ ይገልጽ። ድሕሪ እዞም ስምምዓት፡ ህይወት ኣድሕን ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይገለ ገደብ ናብ ክልል ትግራይ ክኣትው ትፅቢት ክግበረሉ ጸኒሑ'ዩ። ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ ሓገዝ \"ልዕሊ ዝኾነ እዋን ሎሚ ይውሕዝ ኣሎ\" ክብል ምግላጹ ይዝከር። ብተወሳኺ፡ ንቐረብ ሓገዝ ብዝምልከት \"ዝኾነ ይኹን ዕንቅፋት\" ከምዘየለን ኣብ ሓይልታት ትግራይ ዝቖጻጸርዎም ከባቢታት ከይተረፈ ሓገዝ ይውሕዝ ከምዘሎ ኣመልኪቱ ነይሩ። ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ግን፡ ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ክሳብ 13 ሕዳር 2022 ናብ ክልል ትግራይ ዝኣተወ ሓገዝ ከምዘየለ ንቢቢሲ ገሊጹ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብዚ ሰሙን ሰሉስ 15 ሕዳር 2022 ንባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ መንግስቲ በቲ ኲናት ንዝተሃስዩ ከባቢታት ብዝምልከት ሰለስተ ስጕምትታት ይወስድ ከምዘሎ ምግላጹ ዝዝከር እዩ። ሰብኣዊ ሓገዝ ብምቕራብ፡ መሰረተ ልምዓት ብምህናፅን ተመዛበልቲ ብምምላስን ከምዝፍጸም ድማ ጠቒሱ። ኣብዚ ሰሙን፡ ከም ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝኣመሰሉ ዓለምለኸ ትካላት፡ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዝኣተወ ምግላጾም ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ምጽብጻበን ይፍለጥ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ድሕሪ ምፍራሙ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓገዝ መግቢ ዝጸዓና ቃፍላይ መኻይን ናብ ትግራይ ክልእኽ ከምዝጀመረ ገሊጹ ነይሩ። ብቐንዱ 600 ቶን [6000 ኩንታል] ስርናይ፣ ፓርሰላትን ዘይትን ዝጸዓና ክልተ ኮንቮይ ከምዝሰደዱ ኣብ ኢትዮጵያ ወኪል ውድብ መግቢ ዓለም ክላውድ ጅቢዳር ንቢቢሲ ገሊጹ። “ብዙሓት ካብዞም ሰባት ንሓያሎ ኣዋርሕ ዘላቒ ሓገዝ ክረኽቡ ኣይከኣሉን” ክብል ድማ ተዛሪቡ። እቲ ግጭት ኣብ ነሓሰ ካብ ካብ ዝሕደስ ኣትሒዙ ናብ ትግራይ ዝልእኾ ሓገዝ ተቛሪጹ ከምዝነበረ እቲ ወኪል ወሲኹ ሓቢሩ። እቲ ትካል ኣብ ናይ ቀረባ እዋን ገምጋሙ ከምዘመልከቶ፡ ዳርጋ 90 ሚኢታዊት ካብ ህዝቢ ትግራይ ህፁፅ ሓገዝ መግቢ የድልዮ። ብተወሳኺ ሲሶ ካብቶም ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናትን ከምኡ’ውን ካብ ክልተ 1 ነፍሰጾርን ጡብ ዘጥብዋን ደቂ ኣንስትዮ ብሕጽረት መግቢ ዝተጠቕዑ እዮም። ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል'ውን ኢትዮጵያ ሰሉስ 15-11-2022 “ቅድሚ ኩሉ ህይወት ምድሓን” ክብል ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓፂር ሓበሬታ፡ መድሓኒታት ዝፀዓና መኻይን ናብ መቐለ ከምዝኣተዋ ኣፍሊጡ ነይሩ። “ፈላማይ ቀረብ ረድኤት ዝሓዘ ቃፍላይ ናብ መቐለ በፂሑ ኣሎ” ክብል ድማ እቲ ዓለምለኻዊ ትካል ሰብኣዊ ሓገዛት ገሊፁ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c97qp5ww6vno"} {"headline":"ትግራይ፡ ምቕራብ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ 'መወዳእታ ናይዚ ሰሙን' ክጅምር'ዩ","content":"ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት ንጥሜትን ሕማምን ተቃሊዖም ንዘለው ንምብጻሕ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ጀሚሩ ብዘይገደብ ክኣቱ ምዃኑ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕንነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ገሊጹ። ኣብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ቤትጽሕፈት ጉዳያት ኣፍሪቃ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ \"ከምቲ ኣብ ዝርርብ ሰላም ፕሪቶርያ ዝተሰማምዑሉ 'ሓገዛት ብዘይ ዕንቅፋት ክውሕዝ እዩ'\" ምባሉ ንኣቶ ሬድዋን ሑሴን ብምጥቃስ ሐቢሩ። እቲ ብቐንዱ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝእለ ዘሎን፡ ፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሰጉን ኦባሳንጆን፡ ፕረዚደንት ኬንያ ዝነበረ ኡሁሩ ኬንያታን ብመንጐኝነት ዝመርሕዎ ዘለውን ዘተ፡ ሓደ ካብ ቀንዲ ኣጀንዳኡ ብሰንኪ'ቲ ኲናት ኣብ ትግራይ ተቛሪጾም ዘለው መሰረታዊ ኣገልግሎታት ንምጅማር ምዃኑ ኣሜሪካ ሓቢራ ነይራ። ኣብ መንጎ ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ወከልቲ መንግስቲ ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ናይ መወዳእታ ዙር ዝርርብ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ኬንያ ክዛዘም ትጽቢት ይግበር። ብመሰረት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይን ተራኺቦም ንኣፈጻጽማ እቲ ስምምዕ ዝምልከት ይዛተዩ ከምዘለው ጸብጻባት ይሕብሩ። ክልቲኦም ወከልቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ንምትግባር ክዘራረቡ ጸኒሖም እዮም። መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፡ ነቲ ክልተ ዓመቱ ዝመልአ ኲናት ሓድሕድ ሰላማዊ መኸተምታ ንምግባር፡ ኣብ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ ን10 መዓልቲ ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተ፡ ብ 2 ሕዳር ውዕል ምቍራጽ ተጻብኦታት ምፍራሞም ዝዝከር እዩ። እቲ ስምምዕ ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ዳግማይ ክጅመርን ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱን ዝጠልብ እዩ። ኣብቲ ክልል ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት መግብን መድሃኒትን ብህጹጽ የድልዮም ከምዘሎ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cml4lwrp971o"} {"headline":"መድሓኒት ዝፀዓና መኻይን መቐለ ኣትየን-ቀይሕ መስቀል","content":"ናብ ትግራይ ድሕሪ ዳግማይ ምውላዕ ኲናት ንፈለማ እዋን መድሓኒት ዝፀዓና መኻይን ናብ ትግራይ ከምዝኣተዋ ተገሊፁ። ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ሎሚ ሰሉስ 15-11-2022 “ቅድሚ ኩሉ ህይወት ምድሓን” ክብል ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓፂር ሓበሬታ፡ መድሓኒታት ዝፀዓና መኻይን ናብ መቐለ ከምዝኣተዋ ኣፍሊጡ። “ፈላማይ ቀረብ ረድኤት ዝሓዘ ቃፍላይ ናብ መቐለ በፂሑ ኣሎ” ክብል እቲ ዓለምለኻዊ ትካል ሰብኣዊ ሓገዛት ገሊፁ። ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣብ ናይ ትዊተር ሓበሬትኡ፡ እተን መኻይን መዓዝ ናብ ከተማ መቐለ ከምዝኣተዋ ኣየነፀረን። እተን ክልተ ናይ ፅዕነት መኻይን መድሓኒታት፣ ኣብ እዋን ሓደጋን ቀዳማይ ረድኤት ሕክምናን ዘገልግሉ ናውቲ ከምዝሓዛ ጠቒሱ። “ . . .ትካላት ጥዕና ትግራይ ህፁፅ ሓገዝ ሕክምና ንዘድልዮም ሕሙማት ክሕክማ ዝሕግዙ” ምዃኖም'ውን ገሊጹ'ሎ። ኣብ ዝቕፅሉ መዓልታት’ውን ተወሰኽቲ ሓገዛት ከምዝለኣኹ ወሲኹ ሓቢሩ። ዳግማይ ምውላዕ ኲናት ስዒቡ ናብ ትግራይ ዝበፅሕ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዛት ንኣዋርሕ ተቛሪፁ ምፅንሑን ሚልዮናት ንሓደጋ ጥምየት ከምዝተቓልዑን ክግለፅ ፀኒሑ’ሎ። ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶሪያ ንዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ ድማ እቲ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይገለ ገደብ ናብቲ ክልል ክኣትው ትፅቢት ክግበረሉ'ዩ ጸኒሑ። ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ኣብ ኬንያ ኣብ ዝተራኸቡሉ እዋን ካብ ዝተዘራረቡሎምን ዝተረዳድኡሎምን ዛዕባታት እቲ ሓደ ጉዳይ ቀረብ ረድኤት ዝምልከት'ዩ ነይሩ። እዚ ዝርርብ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ይካየድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ብ 11 ሕዳር 2022፡ ሓገዝ \"ልዕሊ ዝኾነ እዋን ሎሚ ይውሕዝ ኣሎ\" ክብል ምፅሓፉ ይዝከር። ንሱ ወሲኹ፡ እቲ ምብፃሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝሓዝዎ ከባቢታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ናብ ዘይርከብ ከባቢታት እውን ምዃኑ ኣመልኪቱ። ወሲኹ ድማ፡ ንቐረብ ሓገዝ ብዝምልከት \"ዝኾነ ይኹን ዕንቅፋት\" ከምዘየለ ገሊጹ። እንተኾነ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ነቲ መንግስቲ “ሓገዝ ይኣቱ ኣሎ” ዝበሎ ሓቂ ኣይኮነን ክብል ምግላጹ ይዝከር። ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ክሳብ 13 ሕዳር 2022 ኣብ ዝነበረ እዋን ናብ ክልል ትግራይ ዝኾነ ሓገዝ ከምዘይበጽሐ ሓቢሩ ነይሩ። ኣብ ኲናት ትግራይ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ እኳ እንተተኸተመ፡ ዛጊት ዝዀነ መግቢ ይዅን መድሃኒት ናብታ ክልል ከምዘይኣተወ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ ነይሩ። ሕቡራት ሃገራት፡ ኢትዮጵያ ኣብታ 90% ካብ ህዝባ ንሓደጋ ተቓሊዑ ኣብ ዘሎ ትግራይ ንጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ትጥቀም ኣላ ክብል ክኸስስ ጸኒሑ እዩ። ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም “እቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ምስተገበረ፡ መግብን መድሃኒትን ብቕልጡፍ ክውሕዝ ክጅምር ትጽቢት ነይሩኒ። እዚ ግን ይኸውን የለን” ምባሉ ይዝከር። ሰባት ብጥምየትን ከፍወሱ ብዝኽእሉ ሕማማትን ይሞቱ ከምዘለው’ውን ገሊጹ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/czkd4m0d198o"} {"headline":"ኣምነስቲ፡ ኣብ ኵናት ኢትዮጵያ ዝሳተፉ ዘለዉ ሓይልታት ሰብኣዊ መሰላት ግሂሶም ይብል","content":"ዓለምለኻዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኵሎም እቶም ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዝሳተፉ ዘለዉ ሓይልታት ሰብኣዊ መሰላት ብመጥሓስ ገበን ከምዝፈጸሙ ገሊጹ። ኣምነስት ኢንተርናሽናል ትማሊ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ፋኖን ከቢድ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ ገሊጹ። ኣብዚ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ተመራማሪ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዀነ ፍስሃ ተክሌ፡ “እቲ ኲናት ምስ ተጀመረ፡ ምስ ገበናት ኵናት ዝዳረግ ከቢድ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ክንምልከት ክኢልና ኢና” ኢሉ። ፍስሃ ተክሌ ካብቶም ዝተፈጸሙ ገበናት፡ “ጾታዊ ዓመጽን ካልእ ጭካነን ዝተሓወሶም ጾታዊ መጥቃዕትታት” ከምዝርከብዎም ገሊጹ። ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፡ ምስ ምጽጻይ ዓሌት ዝዳረግ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ተፈጺሞም’ዮም ዝብሉ ጸብጻባት ኣቐዲሞም ክወጽኡ ጸኒሖም’ዮም። ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ‘ሆሎኮስት ሚሞርያል ሙዝየም’ ኣብ ክልል ትግራይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ገበናት ምጽጻይ ዓሌትን ክፍጸም ዘሎ ተኽእሎ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ኣተሓሳሲብና ኣሎ፡ ኢሉ ነይሩ። እቲ ቤተ መዘክር ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ብኤርትራን ብፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራን ተሓጊዙ ንወሰንቲ ከተማታት ትግራይ ምቍጽጻሩ፡ ድሕነት ሰለማውያን ሰባት እቲ ከባቢ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ’ዩ ክብል ብሰኑይ 24 ጥቅምቲ 2022 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ገሊጹ ነይሩ። እቲ መግለጺ፡ “ጸብጻባት ገበናት ምጽጻይ ዓሌት ዝመስሉ ምልክታት፡ ንሰለማውያን ነበርቲ ዝዀኑ ተጋሩ ዒላማ ዝገበሩ ቅትለታት፡ ናይ ጽልኣት ዘረባታት፡ ጃምላዊ ማእሰርቲ፡ ኮነ ኢልካ ጥምየት ከምዝህሉ ምግባርን ጃምላዊ መቕጻዕትን እናበርከቱ ይመጽኡ ኣለዉ” ዝብል ይርከቦ። ንመግለጺ ‘ሆሎኮስት ሚሞርያል ሙዝየም ተኸቲሉ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ኤምባሲታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ጸብጻብ ብትሪ ነጺጐምዎ ኣለዉ። ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ‘ሆሎኮስት ሚሞርያል ሙዝየም’ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ሓላፍነት ዝጐደሎን ንፕሮፖጋንዳ ግብረሽበራዊ ጕጅለ ህወሓት ንምግዋሕ ዝዓለመ’ዩ፡” ኢሉ። እቲ ኤምባሲ፡ “ብዘይ መርትዖ ድምጺ ህወሓት ካብ ምግዋሕ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት ዘርኢ ሓበሬታ ምእካብ ምሓሸ ነይሩ” ኢሉ። እቲ ኤምባሲ ኣስዒቡ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዝተፈጸሙ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ምእንቲ ክምርመር መንግስቲ፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ሓባራዊ መርመራ ንኸገብሩ ባይታ ዘጣጥሕ ተባዕ ተበግሶ ከምዝወሰደ ገሊጹ። ብተመሳሳሊ፡ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣሜሪካ፡ ነቲ ‘ሆሎኮስት ሚሞርያል ሙዝየም’ ዘውጽኦ መግለጺ ብምቅዋም፡ ምስ መግለጺ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ዝመሳሰል መግለጺ ትማሊ ኣውጺኡ። ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ መግለጺኡ፡ “‘ሆሎካስት ሚሞርያል ሙዝየም፡ ንወፍሪ ጸለም ህወሓት’ዩ ደጊሙ” ኢሉ። እቲ ኤምባሲ፡ ‘ሆሎኮስት ሚሞርያል ሙዝየም’ “ ነቲ ዘይሻራዊ መርመራ ከይገበረ ዘወጽኦ መግለጺ” ክኣልዮ’ውን ጸዊዑ ኣሎ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cx8wy31xqe9o"} {"headline":"ኣፈፃፅማ ስምምዕ ሰላም ብዝምልከት ዝስምዑ ዘለዉ ፍልልያት","content":"ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኩሉ በቲ ስምምዕ ሰላም ዝጥለብ ተግባራት ይፍጽም ኣለኹ ክብል ከሎ መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም፡ መንግስቲ ቃሉ ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዘየኽበረ ይገልጹ። ፌደራል መንግስቲ ብቀዳም 08 ታሕሳስ 2015 ኣቆጻጽራ ግእዝ ብኣገልግሎት ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ኣቢሉ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ ግብሪ የውዕሎ ከምዘሎ ገሊጹ ነይሩ። \"ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ክበሃል ኣብ ስምምዕ ሰላም ዝኣተዎ መብጽዓታት ብዘይ ወዓል ሕደርን ብዘይ ምድንጓይን እናፈጸመ ይርከብ\" ይብል እቲ መግለጺ። ይኹን እምበር ኣቦ መንበር ህወሓትን ፕረዚደንት ክልል ትግራይን ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ብወገኖም ትፅቢት ዝግበረሎም ነገራት ይገብሩ እኳ እንተሃለዉ፡ መንግስቲ ግን ቃሉ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ግብሪ የውዕል ከም ዘየለ ምግላጹ ማዕከናት ዜና ክልል ትግራይ ሓቢሮም። ብሰንበት 09 ታሕሳስ 2015 ዶክተር ደብረጽዮን፡ ንተግባራዊነት ናይ ሓደ ወርሒ ስምምዕ ሰላም ብዝምልከት ኣብ ህጹጽ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ እቲ ስምምዕ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣብ ግብሪ ከምዘይውዓለ ተዛሪቡ። ስምምዕ ሰላም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ካብ ዝፍረም ኣትሒዙ ኩሎም ጠለባት ስምምዕ ሰላም ብወገን ትግራይ ተግባራዊ ይኾኑ ከም ዘለዉ ዝሓበረ ዶክተር ደብረፅዮን፡ \"ዋላ'ኳ ብወገን መንግስቲ ፌደራል ብመንፅር ሰብኣዊ ሓገዝ ዘተባብዑ ጉዳያት እንተሃለዉ፡ መንግስቲ ኣብቶም ዝተረፉ ነጥብታት ስምምዕ ሰላም ቃሉ ኣይፈጸመን\" ኢሉ። ብወገን ትግራይ፡ እቲ ዘተ ሰላም ዝሓሸ ኣፈጻጽማ ንክህልዎ ጻዕሪ ይግበር ከምዘሎ ይግለጽ። ኣብቲ ብሰንበት 09 ታሕሳስ 2015 ዝተኻየደ ጉባኤ፡ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደን፡ ከምኡ'ውን ክልተ ካብ ዳያስፖራን ሓደ ካብ ተነሓናሕቲ ውድባትን ዝርከብዎም 11 ኣባላት ልኡኽ ጉጅለ ሰላም ትግራይ ኮይኖም ከገልግሉ ከም ዝመዘዘ ድምጺ ወያነ ትማሊ ኣብ ፌስቡክ ገጹ ዝዘርገሖ ሓበሬታ የመልክት። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን መራሕቲ ትግራይን ነቲ ንክልተ ዓመት ዝጸንሐ ኲናት ሓድሕድ ንምቁራጽ ዝተገብረ ድርድር ስዒቡ፡ ኣብ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲን ምፍታሕ ኣጽዋርን ተበጺሑ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ወተሃደራዊ መራሕቲ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ኬንያ፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝትግበረሉ ሓፈሻዊ ኣፈጻጽማ ሰነድ ከም ዝፈረሙ ይዝከር። እቲ ስምምዕ፡ እቲ ግጭት ከብቅዕ፡ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ዘድልዮም ክበጽሕ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎት ክጅመር፡ ዕጡቓት ህወሓት ከበድቲ ኣጽዋር ክፈትሑን ካብ ሰራዊት ፌደራል ወጻኢ ካልእ ሓይልታት ካብቲ ዞባ ክወጹን ዝብሉ ነጥብታት የጠቓልል። ብመሰረት እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ብዘይካ ሰራዊት መንግስቲ ፌደራል ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሓይልታት ክስሕቡን ተጋደልቲ ህወሓት እውን ዕጥቆም ክፈትሑን ትጽቢት ይግበር ነይሩ። ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ከተማ ሽረ ኣብ ሞንጎ ወተሃደራዊ መራሕቲ ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ኣተገባብራ ስምምዕ ሰላም ዘተ ከምዝተኻየደን ሓይልታት ትግራይ ካብ ግንባራት ኩናት ይስሕቡ ከም ዘለዉን ተሓቢሩ ነይሩ። ይኹን እምበር ዶክተር ደብረጽዮን፡ \"ብመሰረት እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም፡ ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ካብቲ ብወራር ዝሓዝዎ መሬት ትግራይ ክወጹ ይግባእ ነይሩ፡ ግን ሕጂ'ውን ኣብ መሬት ትግራይ ኮይኖም፡ ህዝቢ ትግራይ ይቐትሉ ኣለው\" ብምባል እቶም ዝተጠቐሱ ሓይልታት ካብቲ ክልል ከም ዘይወጹ ከሲሱ። ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንክልተ ዓመት ዝጸንሐ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ሰራዊት ኤርትራ ንፌደራል መንግስቲ ንምድጋፍ ኣብቲ ግጭት ክሳተፍ ከም ዝጸንሐ ይግለጽ እኳ እንተነበረ፡ ኣብቲ ክልቲኦም ዝበጽሑዎ ስምምዕ ግን ስም ኤርትራ ብንጹር ኣይተጠቕሰን። ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላት ረድኤትን፡ እቲ ኲናት ደው ምስበለ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ይበፅሕ ከም ዘሎ ይገልጹ ኣለዉ። ኣብ ውሑዳት ከባቢታት ትግራይ በቲ ኲናት ዝተሃስየ መሰረተ ልምዓት ብምጽጋን ኣገልግሎት ኤሌክትሪክን ቴሌፎንን ከም ዝተጀመረን ኣብ ካልኦት ቦታታት ድማ ኣገልግሎት ንምጅማር ጻዕርታት ይግበር ከም ዘሎን ድማ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ይገልጹ። ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ንነዊሕ እዋን ተቛሪፁ ዝጸንሐ ኣገልግሎት፡ ኣብተን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር መንግስቲ ፈደራል ዝርከባ ከተማታት ሽረ፡ ኣላማጣን ኮረምን ስርሑ ከም ዝጀመረ ብ10 ታሕሳስ 2015 ዘውጽኦ መግለጺ ይሕብር። እንተኾነ ግን፡ ቢቢሲ ካብ ከተማ ሽረ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ እቲ ኣገልግሎት ከም ዝጀመረ ሰሚዖም ናብ ባንክ ከም ዝኸዱን እንተዀነ “ገንዘብ የለን” ዝብል ምላሽ ከም ዝጸንሖምን፡ ካብ ሕሳቦም ገንዘብ ከውጽኡ ከም ዘይክእሉን ከም ዝተነግሮም ይገልጹ። ቅድሚ ሒደት መዓልታት መንግስቲ ፌደራል፡ ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ዘይበጽሖም ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ዝተወደበ ምዝማት ይካየድ ከም ዘሎ ምግላጹ ይዝከር። ብወገን መንግስቲ ትግራይ፡ ነዚ መግለጺ ዝምልከት ወግዓዊ መልሲ እኳ እንተዘይተወሃበ፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ዝኾነ ጌታቸው ረዳ ግን፡ መግለጺ መንግስቲ ኣተሓሒዙ ኣብ ትዊተር ገጹ ሓጺር ርእይቶ ኣስፊሩ እዩ። \"ንሕና ክንፈትሖ ዘይንኽእሎ፡ ህዝብና ክፈትሖ ዘይኽእሎ ስግኣት ጸጥታ፡ ዝኾነ ሰብ ክፈትሖ ኣይክእልን'ዩ\" ክብል ጽሒፉ። እቲ ስምምዕ ብክልቲኦም ወገናት እንተዘይተናዊሑ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ተግባራዊ ከምዝኸውን ተገሊጹ ነይሩ። ነዞም ወሰንቲ ጉዳያት ብዝምልከት ዝተወስዱ ግብራዊ ስጉምትታት ምህላዎም ግን ብክልቲኦም ወገን ዝቐረበ ንጹር ጸብጻብ የለን። እቲ ኲናት ሓድሕድ ከቢድ ሰብኣዊ፡ ቁጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው ዘስዓበ ክኸውን ከሎ፡ ብ23 ጥቅምቲ 2015 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ፕሪቶርያ ብዝተገብረ ስምምዕ ተኹሲ ደው ካብ ዝብል ዳርጋ ክልተ ወርሒ ኣቑጺሩ ኣሎ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c51e1vlrgvzo"} {"headline":"ሰብኣዊ ሓገዝ ብኣርባዕተ መስመራት ናብ ትግራይ ይኣቱ ኣሎ - ሕቡራት ሃገራት","content":"ኣብ ሞንጎ ፌደራል መንግስትን ሓይልታት ትግራይን ስምምዕ ሰላም ካብ ዝፍረም ጀሚሩ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብዝርከቡ ኣርባዕተ መስመራት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ይበጽሕ ከምዘሎ ቤት ፅሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ኣፍሊጡ። ኦቻ ትማሊ ሓሙስ 06 ታሕሳስ 2015 ኣቆጻጽራ ግእዝ ኣብ ዘውጽኦ መዓልታዊ መግለጺ፡ ካብ 06 ሕዳር ክሳብ 29 ሕዳር 2015 ኣብ ዝነበሩ መዓልታት መሻርኽቲ ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና ልዕሊ 1600 መካይን ሰዲዶም ኢሉ። እቲ መግለጺ፡ ልዕሊ 63,800 ሜትሪክ ቶን መግቢን ልዕሊ 4,000 ሜትሪክ ቶን ቀረብ ናውቲ ጥዕና፡ መዕቆቢ፡ ትምህርቲ፡ ማይን ፅሬትን ናብ ትግራይ ከምዝበፅሐ ይሕብር። \"ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ሰራሕተኛታትና ብዝሃቡና ሓበሬታ መሰረት፡ ካብ ስምምዕ ሰላም ጀሚሩ፡ ናብ ትግራይ ሓገዝ ዝልኣኸሉ ኣገባብ እናተመሓየሸ መጺኡ'ሎ\" ይብል እቲ ኦቻ ዘውጽዖ መግለጺ። ወሲኹ'ውን፡ መኣዛዊ መግብን ናውቲ ሕክምናን ብሰብኣዊ በረራታት ከምዝበጽሐ ጠቒሱ። ኣብ ስምምዕ ሰላም ካብ ዝተኻተቱ ቀንዲ ነጥብታት፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ነቲ ግጭት ምግታእ፡ ዝተቛረጸ ኣገልግሎት ቴሌፎን፡ ኤሌክትሪክ፡ ኢንተርነት፡ በረራን ባንክን ምምላስ፡ ከምኡ’ውን ቅልጡፍ ቀረብ ደረት ኣልቦ ሰብኣዊ ሓገዛት የጠቓልል። ካብቲ ስምምዕ ሰላም ጀሚሩ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ካልኦት ሰብኣዊ ትካላትን ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ይሰዱ ከምዘለዉ ኣፍሊጦም። እንተኾነ መጠን እቲ ዝድለ ሓገዝ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ዝወሃብ ዘሎ ሓገዝ እኹል ከምዘይኮነን ተወሳኺ ሓገዝ ብቕልጡፍ ክለኣኽ ከምዘለዎን ተገሊጹ ኣሎ። ብዘይካ እዚ፡ ቅድሚ ሕዚ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ኢሉ ከምዝነበረ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ሕዚ ዝለኣኽ ዘሎ ሓገዝ ቀጻልነቱ ክረጋገፅ ከምዝግባእ የተሓሳስብ። “ተበጽሕነቱ ንምስፋሕ ተኸታታሊ ሰብኣዊ በረራታት ይካየድ ኣሎ። ናብ ትግራይ ካብ ዝግበሩ ሰብኣዊ በረራታት ብተወሳኺ፡ 30 ሕዳር 2015 ናይ ረዲኤት ሰራሕተኛታትና ካብ መቐለ ናብ ሽረ ተጓዒዞም ኣለው። ካብ ሽዑ ጀሚሩ እቲ ጉዕዞ ይቕጽል ኣሎ” ይብል እቲ መግለጺ። ኣክሱምን ሽረንን ሓዊሱ ኣብ ገለ ከባቢታት ኣገልግሎት ኤሌክትሪክን ቴሌኮሙኒኬሽንን ከምዝተመልሰ ዝገለጸ ኦቻ፡ \"እዚ ንሰብኣዊ ሓገዝ ኣወንታዊ ስጉምቲ'ዩ\" ኢሉ። \"መሰረታዊ ግልጋሎት ናብ ህዝቢ ኣብ ምምላስ ተወሳኺ ምምሕያሽ ክረአ ኣለዎ\"። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብቶም በቲ ኲናት ዝተሃስዩ ከባቢታት ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝካየድ ዘሎ ድጋፍን ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ከምዝወሰኸ ኣፍሊጡ። \"ብፍላይ ነቶም ካብ መነባብሮኦም ተመዛቢሎም ብሰንኪ ምንካይ ስግኣት ጸጥታ ናብ ዓድታቶም ዝምለሱ ዘለዉ ዜጋታት ዝያዳ ደገፍ የድልዮም\"።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2ny37glv5o"} {"headline":"ሓገዝ ናብ ትግራይ ብኸመይ ይኣቱ ኣሎ?","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበስልጣን ጥዕና ትግራይን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ፡ መግቢ፡ መሰረታዊ መድሃኒታትን ናውትን ናብ ብዙሓት ህጹጽ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ይበጽሕ ከምዘሎ ይገልጹ። ይኹን እምበር ኣብ መላእ እቲ ክልል ዘሎ ኩነታት ሕጂ’ውን ኣዝዩ ከቢድ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። \"ኣዝዩ ኣገዳሲ ቀረብ መድሓኒት ይጎድል ኣሎ\" ይብል ሓደ ካብቶም ኣመራርሓ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዝኾነ ክንደያ ገብረሂወት። \"ዓሶ ኣብ ገለ ዞባታት ይላባዕ ኣሎ።\" ንኣዋርሕ ናብ ትግራይ ዝኣቱ እንኮ ኣማራጺ መንገዲ ብምብራቕ ብክልል ዓፋር እዩ ነይሩ። ግና፡ እዚ መስመር ከይተረፈ ኣዝዩ ድሩት ቀረብ ዝሓልፈሉ ኣዝዩ ዘጸግም ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። ሕጂ ግን ቃፍላይ በዚ መስመር ብዝያዳ ብናጽነት ክጓዓዛ ክኢለን ኣለዋ። ብተወሳኺ ብደቡብን ብምዕራብን ካልኦት ክልተ መስመራት ክጥቀማ ይኽእላ እየን። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ክሳብ 8 ታሕሳስ 20 ሰብኣዊ ትካላት ልዕሊ 50 ሽሕ ቶን መግቢን ኣስታት ሓሙሽተ ቶን ካልእ ቀረባትን ናብ ትግራይ ከምዘብጽሓ ይገልጽ። መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ነቲ ዝተመሓየሸ ኩነታት ጸጥታ ኢሉ ዝገልጾ ስዒቡ ኣብ ገለ ከባቢታት ትግራይ ሓገዝ መግቢ ከምዝዓደለ ይፍለጥ። ናውቲ ሕክምናን ሰራሕተኛታት ረድኤትን ንምብጻሕ ናብ ከተማታት መቐለን ሽረን ሰብኣዊ በረራታት ክካየድ ጸኒሑ'ሎ። ሕቡራት ሃገራት ኣብ ወርሒ ሕዳር 7 ቶን ናውቲ ሕክምና ዝጸዓነት ነፋሪት ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ሽረ ከምዝኣተወት ይገልጽ። ብ15 ሕዳር ሕክምናዊ ሓገዝ ዝጸዓና ክልተ ናይ ጽዕነት መካይን ዝሓዘ ቃፍላይ፡ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ናብ መቐለ ዝኣተወ ፈላማይ ረድኤት'ዩ ነይሩ። ቅድሚኡ ጽዕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ንመወዳእታ ግዜ ናብ ትግራይ ዝኣተወ እቲ ሕቡራት ሃገራት ብ22 ነሓሰ ብመስመር ሰመራ ዝለኣኾ እዩ። ብዕለት 23 ነሓሰ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ብነፋሪት ዝተሰጋገረ ሓገዝ ከምዝነበረ’ውን ይፍለጥ። ኣብቲ እዋን ኣብ ትግራይ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ከቢድ ጥምየት ከምዘጋጠሞ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ሓቢሩ ነይሩ። ኣብ ሕዳር 2020 ኲናት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ፡ ሓገዝ ናብ ትግራይ ክኣቱ ምግባር ፀገም ክፈጥር ጸኒሑ’ዩ። ኣህጉራውያን ትካላት ረድኤት ሓገዝ ክኣቱ ዝገበራሉ እዋናት ነይሩ - ካብ ሓምለ ክሳብ ታሕሳስ 2021፡ ከምኡ'ውን ካብ ሚያዝያ ክሳብ ነሓሰ 2022። ግና፡ ኣብ መስመራት ቀረብ ረድኤት ዝካየድ ኲናት፡ ብዙሓት ዝተዓጸዉ መንገዲታት፡ ብርክት ዝበሉ ናይ ፍተሻ ናቑጣታትን ዕንወት ትሕተቅርጺን ስለዝነበረ ናብቲ ክልል ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝን ሰራሕተኛታትን ድሩት ዝኾነሉ ኣዋርሕ ነይሩ እዩ። ሓይልታት መንግስቲ ፌደራልን ክልል ትግራይን ብዝርከብዎም ከባቢታት ቃፍላይ ረድኤት ብፅርግያ ንኽጓዓዙ ፍቓድ ምሃብ ከኣ ቀንዲ ምኽንያት ናይቲ ምድንጓይዩ ነይሩ። መንግስቲ፡ ኩለን በረራታት ንመርመራ መጀመርታ ኣብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ክዓልባ ዝብል ጠለብ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ በረራታት ሰብኣዊ ረድኤት እውን ጽኑዕ ቁጽጽር ኣቐሚጡ ምንባሩ ይዝከር። ብዘይካ እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ሰፊሕ ክፋል ትግራይ ንክልተ ዓመት ብዘይ ኤሌክትሪክ፡ ቴሌፎን፡ ኢንተርኔትን ኣገልግሎት ባንኪን ከምዝጸንሐ ይፍለጥ። ሕጂ መንግስቲ፡ መቐለ ምስ ሃገራዊ መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምትእስሳር ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ትግራይ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብሰፊሑ ክምለስ እዩ ዝብል ተስፋ ኣለዓዒሉ ኣሎ። ኣብ ሽረ ሓዊሱ ኣብ ገለ ከባቢታት እውን ኣገልግሎት ሞባይል ቴሌፎን ናብ ንቡር ተመሊሱ'ኳ እንተሎ፡ ሰፊሕ ክፋል ክልል ትግራይ ግን ሕጂ'ውን ብዘይ ሓይሊ ኤሌክትሪክን መራኸቢታት ቴሌፎንን ይቕፅል ኣሎ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c721g3mm6pzo"} {"headline":"ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ፡ ዕጡቓት ኣብ ሰራሕተኝኡ ዝፈጸምዎ ቅትለት ኰኒኑ","content":"ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ፡ ዕጡቓት ብ 18 ጥቅምቲ 2015 ኣቆጻጽራ ግእዝ ኣብ መራሒ ኣምቡላንስ እቲ ትካል ዝፈጸምዎ ቅትለት ኰኒኑ። እቲ ማሕበር ብማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፡ ብሞት እቲ ሰራሕተኛ ዘለዎ ሓዘን ብምግላፅ ዕጡቓት ሓይልታት ካብ ከምዚኦም ዝበሉ ተግባራት ክቑጠቡ ፀዊዑ። ወዲ 40 ዓመት መራሒ ኣምቡላንስ መንግስት ምንይል ኣብ ምዕራብ ደንብያ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ይህብ ከምዝነበረ እቲ ማሕበር ገሊፁ። ብተወሳኺ እቲ መራሒ መኪና ኣብ ወልቃይት ዓዲረመፅ ብሰብኣዊ ስራሕ ከምዝተመደበን፡ በቲ ኵናት ንዝተጎድኡ ሰባት ንምሕጋዝ ኣብ ትግራይ ካብ ዝተዋፈራ ክልተ ኣምቡላንሳት ሓንቲ ይዝውር ከምዝነበረን እውን እቲ ማሕበር ጠቒሱ። ኣቦ ክልተ ቆልዑ ዝነበረ እቲ መራሒ መኪና፡ ቁሱላት ካብ ዓድዋ ናብ ሆስፒታል ወልቃይት ዓዲ ረመጽ እናጓዓዘ እንከሎ፡ በቶም ዕጡቓት ከምዝቐተለ ሓቢሩ። እቲ ማሕበር ኣብታ ኣምቡላንስ ዝነበሩ ቁሱላት ከይተረፉ ከምዝሞቱ እኳ እንተገለፀ፡ ክንደይ ከምዝነበሩ ግና ኣይጠቐሰን። እቲ ማሕበር ዛጊድ ዕላማ እቲ መጥቃዕቲ እንታይ ከምዝነበረን መንነት እቶም ዕጡቓትን ኣይፈለጠን። ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሃገርና ብዝሰርሖ ሰብኣዊ ስራሕቲ መጥቃዕቲ ከምዝበፅሖ ክገልጽ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቄለም ወለጋ ክልተ ኣምቡላንስ ከምዝተወስዶ ሓላፊ ዲፕሎማስያውን ኮሚዩኒኬሽንን ጉዳይ እቲ ማሕበር ዶክተር ሰለሙን ንቢቢሲ ምግላጹ ክዝከር እዩ። ብመሰረት ሓበሬታ እቲ በዓል ስልጣን፡ እተን ንሰብኣዊ ኣገልግሎት ዝጥቀመለን ክልተ ኣምቡላንሳት ኣብ ስራሕ እንከለዋ ብሓይሊ ዝተወስዳ እየን። እተን ኣምቡላንሳት ብመንን ንምንታይን ከምዝተወስዳ ኣብቲ እዋን እቲ ማሕበር ዝርዝር ሓበሬታ ኣይነበሮን። ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ንኣስታት ክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ብዝዛመድ፡ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ሰራሕተኛታተን፡ ንሰብኣዊ ስራሕ ኣብ ዝውዕላ መካይንን ኣብ ናውቲ ረድኤትን መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ብተደጋጋሚ ይገልጻ እየን። ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ፡እቶም ኣብ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታትን ወለንተኛታትን ምእንቲ ክንቀሳቐሱን ክሰርሑን፡ ዕጡቓት ሓይልታት ካብዚ ስጉምቲ ክቑጠቡ’ውን ጻውዒት ኣቕሪቡ። ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሊንዳ ቶማስ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝሃበቶ መግለፂ፡ ኣብዚ ንኽልተ ዓመት ዝቐፀለ ኲናት፡ ብድምር 26 ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ከምዝተቐትሉ ገሊጻ ነይራ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cgrx548j1ngo"} {"headline":"ኣብ ጋምቤላ ብዘጋጠመ ውሕጅ ልዕሊ 185,000 ነበርቲ ተመዛቢሎም-ሕቡራት ሃገራት","content":"ኣብ ክልል ጋምቤላ ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብ ዘስዓቦ ውሕጅ ብውሕዱ 185 ሽሕ ነበርቲ ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ካብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ኣብ ርእሰ ከተማ እቲ ክልል ሓዊሱ ኣብ 12 ወረዳታት ብርቱዕ ዝናብ ከምዝዘነበ ቤት ፅሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። በዚ ምኽንያት ድማ 185,200 ነበርቲ ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉን ኣብ ፈታኒ ኩነታት ከምዝርከቡን እቲ ውድብ ሓቢሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ትካላት ጥዕናን ከምኡ እውን ኣብ ደገ ኣብ ዝተጨናነቐ ኩነታት ተዓቚቦም ከምዘለዉ’ውን ገሊጹ። ብሰንኪ ሕፅረት ምግቢ እቶም ተመዛበልቲ ቆፅልን ሱርን ብምብላዕ ብህይወት ክጸንሑ ይጽዕሩ ኣለዉ። ብሰንኪ እቲ ዝዘነበ ብርቱዕ ዝናብ፡ ብማእከላይ ገምጋም 72 ሚእታዊት ኣብቲ ክልል ዝነበረ ዘራእቲ ተሃስዩ፡ ደርሁን ከብትን ድማ ሞይቶም ኣለዉ። እቲ ውሕጅ ንብረት ነበርቲ ከም ዘዕነወን ትሕተ ቅርጺ ከምዝሃሰየን'ውን እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ። ኣብቲ ከባቢ ዝኸፍአ ኩነታት ከምዘሎ ዝሕብር እቲ ፀብፃብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ እቲ ውሕጅ መስመራት መተሓላለፊ ማይ ከምዝተሃስዩን ቀረብ ማይ’ውን ከምዝተቋረጸን ይገልጽ። ኣብተን ዓሰርተ ክልተ ወረዳታት ብዘጋጠመ ውሕጅ ካብ 77 ኣብ ዘይውሕዱ ትካላት ጥዕና ጉድኣት ስለዘብፅሐ፡ ነበርቲ ካብ ግልጋሎት ጥዕና ተረባሕቲ ክኾኑ ከምዘይከኣሉ እውን ይሕብር። እዚ ፀገም ግልጋሎት ጥዕና፡ ብማይ ዝመሓላለፉ ሕማማት ናይ ምዝርጋሕ ተኽእሎ ክውስኽ ገይሩ'ሎ። ብተወሳኺ ኣብ ግዝያዊ መዓስከራት ተመዛበልቲ ምጭንናቕ ስለዝተፈጥረ ሕማም ዓበቕ፡ ዕንፍሩርን ሕማማት ስርዓተ ምስትንፋስን ናይ ምልዕዓል ሓደጋ ኣንጸላልዩ ይርከብ። ክልል ጋምቤላ፡ ኣብ ብዙሕ ከባቢ ሩባታት ስለዝውሕዙ ንሃንደበታዊ ውሕጅ ዝተቓልዐ እዩ። ኣብቲ ከባቢ ካብ ዘለዉ ዓበይቲ ወሓይዝ ኣኮቦ፡ ኦልዎሮ፡ ባሮ (ኦፔኖ)ን ጊሎናን ይርከብዎም። እዞም ሩባታት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እዋን ክረምትን ብርቱዕ ዝናብን ኣዝዮም ስለዝመልኡ ነቲ ከባቢ ኣዕለቕሊቖም ኣብ ህይወት እቲ ማሕበረሰብ ሞትን ዕንወት ንብረትን ከምዘስዕቡ ይፍለጥ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c727v27z7neo"} {"headline":"መላፍንቲ ሰራዊት ፈደራል ዝኾኑ ሓይልታት 'ዕጡቓት ህውሓት ብረት ድሕሪ ምውራዶም' ካብ ትግራይ ክወጹ'ዮም - መንግስቲ","content":"ኣብ ጎኒ ሰራዊት ፈደራል ብምስላፍ ኣብ ኲናት ትግራይ ክዋግኡ ዝጸንሑ ሓይልታት፡ ዕጡቓት ትግራይ \"ብረት ድሕሪ ምውራዶም\" ክወጹ ምዃኖም ላዕለዋይ በዓልመዚ ኢትዮጵያ ተዛሪቡ። ናይ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ሓይልታት፡ ከምኡ'ውን ወተሃደራት ኤርትራ ንሰራዊት ፈደራል ብምድጋፍ ኣብቲ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ክሳተፉ ምጽንሖም ይፍለጥ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ፡ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ \"ዝተቐየረ መርገጺ የለን\" ክብል ጽሒፉ'ሎ። \"ካብ [ሰራዊት] ምክልኻል ወጻኢ ዘለዉ ሓይልታት ክወጹ'ዮም ዝብል ቅኑዕ'ዩ\" ዝበለ እቲ ብዓል ስልጣን፡ ሓይልታት ትግራይ \"ዕጥቆም ፈቲሖም ናብ ተሓድሶ እንተ ኣትዮም [ናይ ወጻኢ ሓይልታት] ኣብኡ እንታይ ዘጽንሕ ኣለዎም\" ኢሉ። \"ቀደሙ'ውን ተገዲዶም'ዮም ኣትዮም\" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ። እንተኾነ ግን፡ ሓደ ካብ ለዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ዝኸነ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ሓይልታት ኤርትራ ሕጂ’ውን ኣብ ትግራይ ግፍዕታት ይፍጽሙ ኣለዉ ክብል ከሲሱ’ሎ። ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሰራዊታ ንዝቐርብ ክስታት ምግሃስ መሰላት ክትነጽጎ ምጽንሓ ይዝከር። ኣብቲ ብ2 ሕዳር ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓት ዝተፈረመ ስምምዕ ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት፡ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ከውርዱ ህወሓት ምፍራሙ ይዝከር። ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ክልቲኦም ወገናት ብ12 ሕዳር ኣብ ናይሮቢ ዝፈረምሉ ኣዋጅ ድማ \" ምውራድ ከበድቲ ኣጽዋራት [ሓይልታት ትግራይ]፡ ሓይልታት ወጻኢ ከምኡ’ውን ካብ ሓይሊ ምክልኻል ፈደራል ወጻኢ ዝዀኑ ሓይልታት ካብቲ ክልል ኣብ ዝወጽኡሉ ሓቢሩ ዝፍጸም'ዩ\" ይብል። ብወገን ህወሓት፡ እቲ ኣብቲ ስምምዓት ስሙ ዘይተጠቕሰ \"ናይ ወጻኢ ሓይሊ ናይ ኤርትራ’ዩ ዝብል እምነት ኣለና\" ክብሉ ገሊጾም ኣለዉ። ኣቶ ጌታቸው ድሕሪ ስምምዕ ናይሮቢ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ \"ብግልጺ ክጽውዑ ጸቒጥና ንሓትት ኢና። እቲ ሓደ ወገን [ስለምንታይ ከጥቀሱ ኣይደልን] ክግምት ኣይክልን’የ። \"ባዕልና ክነውጸኦም ኢና ዝብሉ እንተዀይኖም ዕጥቂ ሒዝና እንቕጽለሉ ምኽንያት የለን ዝብል እዩ እቲ ስምምዕ። እቲ ዅነታት ብወርሒ ድዩ ብዓመት ዝውዳእ ግን እቶም ሰባት ምስተራኸቡ ዝገብርዎ ነገር እዩ\"። ንምውራድ ዕጥቂ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ \"ንሕና ዕጥቂ ዘልዐልናሉ ምኽንያት ህዝብና ክነድሕን እዩ\" ኢሉ። ህወሓት ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ ንምውራድ ምስምምዑ ንብዙሓት ተጋሩ ባህ ኣየበሎምን። ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ዝተባህለ ተቓዋሚ ሰልፊ እቲ ክልል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ከምዘይውክል ብምግላጽ ነቲ ስምምዕ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ'ሎ። ውድብ ናጽነት ትግራይ (ውናት) ብወገኑ፡ እቲ ስምምዕ ክትግበር ከምዝድግፍ'ኳ እንተገለጸ፡ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዘለዎ ተሪር ነቐፌታ ይገልጽ። ንጉጅለ ልኡኽ ህወሓት መሪሑ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ዝፈረመ ኣቶ ጌታቸው ግን \"ብሰላማዊ መንገዲ ህዝቢ ዝድሕነሉ ኵነታት እንተርኢና ናብ ሰላም ዘይንመጸሉ ምኽንያት የለን ኢልና ናብዚ ጉዳይ ኣቲና። \"ስለዚ ዕጥቂ ምውራድ ልዕሊ ኵሉ ምስ ናይ ትግራይ ጸጥታ ክተሓሓዝ ኣለዎ ዝብል ኢና ኣልዒልና። ኣብኡ ድማ ኢና ረጊጽና። ኣንጻር ትግራይ ዝስለፍ ብዙሕ እዩ። ናይ ከባቢ ሓይልታት ኣለዉ። ናይ ፌደራል መንግስቲ ዝበሃል ሓይሊ ኣሎ። ናይ ኤርትራ ሓይሊ ኣሎ\" ብምባል ነቲ ዝወሰድዎ ውሳነ ቅኑዕ'ዩ ክብል ተኸላኺሉ። እቲ ስምምዕ ብስም ህወሓት ምፍራሙ'ውን ሓደ ካብ ቀንዲ ሓያል ነቐፌታ ዘስዓበ ሕድገታት'ዩ። ኣቶ ጌታቸው፡ \"ህወሓት ኣይፈረመን! መንግስቲ ትግራይ’ዩ ከይዱ፡ ንመግስቲ ትግራይ ስለ ዘይንፈልጦ ህወሓት ክንብለኩም ኢና ኢሎምና። ንሕና ሰላም ኢና ንደሊ\" ብምባል ተገዲዶም ከምዝተቐበልዎ'ዩ ዝገልጽ። ሕጂ'ውን መኣረምታ ክግበረሉ ይሰርሑ ምህላዎም'ዩ፡ እቲ ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ዝኾነ ኣቶ ጌታቸው ንቢቢሲ ተዛሪቡ። \"ብተደጋጋሚ ንነግሮም ኣለና። ህወሓት ሰራዊት ዝበሃል የብሉን፡ ዕጥቂ ኣውርድ ክብል ኣይክእልን፡ ስራሕና ኢኹም ተኽብድዎ ዘለኹም. . . ዕጥቂ ምውራድ ገለ ገለ ዝበሃል መስርሕ ክንጅምር፡ መንግስቲ ትግራይ ሓላፍነት ይውሰድ\" ብምባል ይምጉቱ ከምዘለዉ ገሊጹ'ሎ። ብመሰረት እቲ ዝተበጽሐ ስምምዓት፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቲ ኣብ ምሉእ ዕጽዋ ዝጸንሐ ህዝቢ ክልል ትግራይ፡ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ይኣቱ'ሎ። ብረቡዕ 16 ሕደራ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን፡ ናብታ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሓይልታት መንግስቲ ዘላ ከተማ ሽረ ናይ ፈተነ ሰብኣዊ በረራታት ኣካይዶም ኣለዉ። ካብ ርእሰከተማ ናይቲ ክልል ዝኾነ መቐለለ ተመሳሳሊ በረራታት ከካይዱ ከምዘድልዮም'ውን ኣነጺሮም ኣለዉ። ብዘይካ'ዚ ሰብኣዊ ረዲኤት ዝጸዓና ቃፍላይ መካይን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብን ኣብ ከተማ ኣላማጣን ከምዝኣተወ ትካል መግቢ ዓለም ሓቢሩ። ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት፡ ህጹጽ ረዲኤት ናብ ኩሉ ቦታታት ክበጽሕ ምስምምዖም ይዝከር።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c806kdg4p6ko"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ‘እዚ ዛንታ እናጽሓፍኩ'ውን ኣብታ ከተማይ ድሮን ትዝንቢ ኣላ’","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት መሊሱ እናተጋደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ሰላማውያን ሰባት ኣብቲ ውግእ ይሳተፉ ኣለዉ። ቅድም ኢሉ፡ ወለዲ ናይቶም ክዓጥቁ ፍቓደኛታት ዘይኮኑ መንእሰያት ይኣስሩ ኣለው ብዝብል ክኽሰሱ ዝጸንሑ ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብዚ ሰሙን ብዙሓት ንኽዓጥቍ ጐስጓስ ኣብ ምግባር ይርከቡ። ብተመሳሳሊ ኣብቲ ኲናት ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኰይኑ ዝሳተፍ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ’ውን፡ ዕቝር ሰራዊት እታ ሃገር ክኸትት ካብ ምጽዋዕ ሓሊፉ ሰፊሕ ግፋ የካይድ ከም ዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ። ቢቢሲ፡ ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ካብ ዝርከብ ሓደ ጋዜጠኛ ሓደ ጸብጻብ በጺሕዎ ኣሎ። ኣብታ ልዕሊ 500 ሽሕ ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ መቐለ፡ ዳርጋ መዓልታዊ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ [ድሮናት] ክዝንብያ እየን ዝውዕላ። ሕጂ ነዚ ዛንታ እናጽሓፍኩ’ኳ ሓንቲ ድምጻ እሰምዖ ኣለኹ። በዚ ኸኣ ድሕነት ኣይስምዓንን። ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ዝተፈጸሙ መጥቃዕታት ድሮን፡ መውዓሊ ህጻናትን መንበሪ ኣባይትን ኣጥቂዖም’ዮም። ዒላማ እተን ነፈርቲ እንታይ ከም ዝነበረ ግልጺ ኣይኰነን። ኣብዚ ሰሙን፡ ሰራዊት ትግራይ ዓቕሚ ዘለዎ ኵሉ ናብ ግንባር ክኸትት ጸዊዑ ኣሎ። ብዙሓት ሰባት ክኣ ነዚ ጻውዒት ተቐቢሎም ይኸዱ ኣለው። ኣብዚ እዋን፡ “ናብ ሰራዊት ዘይምጽንባር ከም ነውሪ’ዩ ዝቝጸር” ክብል ሓደ ሽሙ ክዕቀብ ዝሓተተ ውልቀሰብ ነጊሩኒ። ብዙሓት ተጋሩ ድሕሪ ደጊም ፌደራላዊ ምሕደራ ኣይንቕበልን ኢና ኢሎም ይቃለሱ ኣለው። እንተዀነ እቲ ኣብ 2018 ስልጣን ዝሓዘ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ መራሕቲ እቲ ክልል እቲ ንሱ ስልጣን ምስ ሓዘ ዝሰኣንዎ ስልጣን ንምምላስ'ዩ ዕላማኦም ክብል ይኸሶም። ኣብዚ ዘሎ ዅሉ ሰብ ንመሰሉ ክቃለስ እዩ ዝደሊ። እዚ ዳሕረዋይ ኲናት፡ እቲ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ምቍራጽ ተጻብኦ ምስ ፈረሰ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ እዩ ጀሚሩ። ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ዝርከብዎም ካብ ኵሉ ጽፍሕታት ዝመጽኡ ሰባት ነቲ ዝቐረበሎም ጻውዒት ተቐቢሎም ናብ ሰራዊት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ይጽንበሩ ኣለው። ደቂ ኣንስትዮ ወተሃደራዊ ስልጠና ወሲደን እየን፤ ኣብ ዝዀነ እዋን እንተ ተጸዊዐን ድማ ንኽቃለሳ ድልዋት ምዃነን ይዛረባ። ሓንቲ ካብኣተን፡ \"ትግራወይቲ ብምዃነይ ሕብንቲ’የ፤ መሰለይን መሬተይን ንምውሓስ ክኣ ስልጠና ብምውሳደይ ተሓጒሰ\" ዝበለትኒ፡ ጓል 23 ዓመት መንእሰይ እያ። ትግራይ ካብ ሰነ 2021 ጀሚሩ፡ ኣብ ዕጽዋ ትርከብ። ኩነታት መነባብሮ ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍአ መፂኡ እዩ። መስመራት ቴለፎንን ኣገልግሎት ኢንተርነትን ደው ካብ ዝብሉ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኰይኑ ኣሎ፤ እዚ ድማ ካብ ካልእ ክፋል ዓለምና ኣቋሪጹና ኣሎ። ሰባት፡ ናብ ስድርኦምን ፈተውቶምን መልእኽቲ ንምብጻሕ ደብዳበ’ዮም ዝጽሕፉ፤ ወይ ድማ ናብቲ ምስ ኣምሓራ ዘዋስኑ ከባቢታት ብምኻድ ተሌፎን ይድውሉን ካብ ወጻኢ ዝተላእከሎም ገንዘብ ይቕበሉን። ሰባት፡ ዘለው ምዕባለታት ንምፍላጥ ብጕጅለታት ተኣኪቦም ኣብ ጐደናታት ኰፍ ኢሎም ሓንቲ ራድዮ ይሰምዑ። ሰብ፡ ብዛዕባ መስርሕ ሰላም ይዛረብን ብዛዕባኡ ዝወጽእ ዜና ብትዅረት ይከታተሎን። ብዙሓት ሰባት ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘተ ሰላም ድሉው ከም ዘይኰነ ይኣምኑ፣ ምኽንያቱ ደብዳብ ነፈርቲ ኣየቋረጸን። ብተወሳኺ፡ ሰባት ገንዘብ ክረኽቡ ኣይክእሉን እዮም፣ ባንክታት ስለ ዝተዓጽዋ ጥረ ገንዘብ ከውጽኡ ኣይክእሉን። ስለዚ ስራሕ የለን። እዚ ድማ፡ ቅድሚ ኲናት ዘይሕጋውያን ዝነበሩ ኣገባባት ክልመዱ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ። ደለልቲ፡ ብጸሊም ዕዳጋ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ካብ ዝነበረ 50 ሚእታዊት ጐዲሉ ብውሑድ 30 ሚእታዊት ዓስበ ድለላ እናወሰዱ ገንዘብ ይህቡ። ንኣብነት ጐረባብተይ፡ ካብ ኣሜሪካን ካናዳን ብዝለኣኸሎም ገንዘብ እዮም ዝናበሩ። ሓደ ጐረቤተይ፡ ገንዘብ እንተዘይሰዲዶም ሓሙሽተ ደቁ ክዕንግሎም ከም ዘይክእል ይዛረብ። ኣብ ኣሜሪካ ክልተ ኣሓት ኣለውዎ። እቲ ከበባ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ድማ ኣርባዕተ ግዜ ካብ ኣሕዋቱ ገንዘብ ረኺቡ ኣሎ። ብኻልእ ወገን፡ እቲ ግጭት፡ ነዳዲ ሓዊሱ ኣገደስቲ ኣቑሑት ናብ ትግራይ ከይኣትው ማሕለኻ ስለ ዝዀነ፡ ብዙሓት ሰባት ብእግሮም፡ ወይ ብዓረብያ ኣድጊ እዮም ዝጓዓዙ። ዋጋታት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ዋጋ ጣፍ፡ ሰሙን ሰሙን ይውስኽ። ኣብዚ እዋን ዋጋ ሓደ ኩንታል ጣፍ ኣስታት 265 ዶላር ኰይኑ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት 85 ዶላር'ዩ ነይሩ። ብሰንኪ እቲ ዕጽዋ፡ ሕጽረት መድሃኒት ስለዘጋጠመ ሰባት ይሞቱ ኣለዉ። ዋጋ መድሃኒታት ሕዱር ሕማማት፡ ብዓሰርተ ዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ሓድሽ ደብዳብ ነፈርቲ ዝያዳ ሲቪላት ይቐትል ብምህላው፣ መንእሰያት ብብዝሒ ናብ ሰራዊት ክጽንበሩ ይድርኽ ኣሎ። ሓንቲ ጓል 29 ዓመት ጓል ኣንስተይቲ፡ ሰለስተ ካብ ኣባላት ስድራቤታ - ክልተ ኣሕዋትን ሓንቲ ሓፍታን - ሕጂ ናብ ሰራዊት ትግራይ ከም ዝተጸንበሩ ነጊራትኒ። ንዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ፡ ዘለዋ ንእሽቶ ነገር ተጠቂማ፡ ነቶም ኣብ ግንባር ንዝርከቡ ተጋደልቲ መግቢ ከተዳሉ ጸኒሓ እያ። ካልኦት ነበርቲ ድማ፡ ዝርካቦም ምስቶም ደቆም ናብ ግንባር ዝሰደዱ ስድራቤታት ተኻፊሎም ይነብሩ ኣለው። ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርርብ ሰላም ክጅምር ከምዝኽእል ዜና ምስ ተዘርግሐ፡ ሰባት ተሓጒሶም። እቲ ዘተ ግን ብዘይተነጸረ ምኽንያታት ናብ ባይታ ኣይወረደን። ብሰንኩ፡ ብዙሓት ሰባት ንሰላም ዝነበሮም ተስፋ ተጸንቂቝ። ኣብያተ ክርስትያናትን መሳጊድን ድማ ምሸት ምሸት መሊኦም እዮም ዝሓድሩ፤ ሰባት እዚ ኲናት ከብቅዕ ይጽልዩ ኣለዉ። ቢቢሲ፡ ንድሕነት እቲ ጋዜጠኛን እቶም ወሃብቲ ርእይቶን ክብል ሽሞም ዓቂብዎ'ሎ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c51g7d7rjvro"} {"headline":"ኣብ ኮንሶ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ተመዛበልቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ኢሰመኮ ገሊጹ","content":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ)፡ ኣብ ኮንሶ ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲ ዝፍጸም ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዝኸፍአ ምዃኑ ገሊጹ። ኢሰመኮ ነዚ ዝበለ ብዛዕባ ኣብ ዞባ ኮንሶን ሰለስተ ፍሉያት ወረዳታት ዞባ ደቡብን ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ተመዛበልቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ እዩ። ኣብ ዞባ ኮንሶ፣ ፍሉይ ወረዳ ኣለ፣ ፍሉይ ወረዳ ደራሸን ፍሉይ ወረዳ ኣማሮን ልዕሊ 145 ሽሕ ተመዛበልቲ ከምዘለዉ’ውን እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ። ወሲኹ፡ እቶም ተመዛበልቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘይረኽቡን ኣብ ጽንኩር ኩነታት ከምዝነብሩን ገሊጹ። ምክትል ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ራኬብ መሰለ፡ እቲ ትካል ክትትል ኣብ ዝገበረሎም ከባቢታት ዝርከቡ ተመዛበልቲ \"እኹል ሰብኣዊ ድጋፍ ብዘይምርካቦም ኣብ ከቢድ ኩነታት ይነብሩ ከምዘለዉን፡ ብሰንኪ ኣብዚ ከባቢ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዘጋጥሙ ጎንጽታት ድማ ተወሳኺ መጉዳእትን ምዝንባልን ይበጽሖም ኣሎ” ክትብል ገሊጻ። ስለዚ ዝምልከቶም ኣካላት ጠንቂ ምዝንባል ዝኾኑ ጎንፅታት ኣብ ምውጋድ፡ እኹል ሰብኣዊ ድጋፍ ኣብ ምሃብን ተመዛበልቲ ዳግም ንምጥያሽ ምቹእ ኩነታት ኣብ ምፍጣርን ትኹረት ክገብሩ ከምዝግባእ አመልኪታ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነዚ ጸብጻብ ዘውጽኦ፡ ናብ ተመዛበልቲ ዝርከብሉ መዕቆቢ ቦታታትን ኣአንጋዲ ማሕበረሰብን ብምኻድ፡ ምስቶም ተመዛበልቲ፡ ሰበስልጣን መንግስትን ምስቲ ጉዳይ ዝቐረቡ ዘይመንግስታዊ ትካላትን ብምዝርራብን ሰነዳዊ መርትዖታት ድሕሪ ምእካቡ እዩ። ካብቶም ንነበርቲ እቲ ከባቢ ናብ ጎንጽታት ዝመርሑዎም ምኽንያታት፡ ዋንነት ሕርሻዊን ናይ መጓሰ መሬትን፡ ከምኡ'ውን ሃፍቲ ኣግራብ የጠቓልሉ። ካልኦት ጉዳያት ድማ ኣቃውማ ምሕደራ ዝጠልቡን ዝቃወሙን፡ ከምኡ’ውን ጎንጺ ዶባት ምሕደራን ይጥቀሱ። ኢሰመኮ፡ ክልላውን ሃገራውን ኮሚሽን ምሕደራ ስግኣት ህጹጽ ሓደጋ ንዝተመዛበሉ ሰባት እኹልን እዋናውን ሰብኣዊ ደገፍ ክገብርን ከወሃህድን ሓቲቱ። ጠንቂ ምምዝባል ዝኾኑ ጉዳያት ኣቃውማ ምሕደራን ምሕደራ ዶባትን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ብዝሳተፍ መንገዲ ብቕልጡፍ ክፍታሕ ከምዝግባእ'ውን ኣገንዚቡ። ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ከባቢ ኮንሶ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ብተደጋጋሚ ዝፍጠር ጎንፂ ካብ ምምዝባል ብተወሳኺ፡ ብዙሕ ህይወት ኣጥፊኡን ብዙሕ ንብረት ድማ ዓንዩን እዩ። ብካልእ ወገን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ብዕጡቓት ዝተቐትሉላ ነበርቲ ቀበሌ ቶሌ፡ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከይፍጸም ብምስጋእ ካብ ከባቢኦም ከምዝወጹ ይግለጽ ኣሎ። ቅድሚ ኣርባዕተ ወርሒ፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ፡ ወረዳ ጊምቢ፡ ቀበሌ ቶሌ ብሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 400 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሂዩማን ራይትስ ዎች ጸብጺቡ ነይሩ። ኣብዚ መጥቃዕቲ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ግዳያት ከምዝኾኑ ይዝከር። እዚ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ ምስ ተፈጸም ድማ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፡ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ክፍጸም ይኽእል እዩ ብዝብል ስክፍታ፡ ብሄረ ኣምሓራ ዝኾኑ ነበርቲ እቲ ከባቢ ካብ ቀበሌ ቶሌ ከምዝወጹ ንቢቢሲ ሓቢሮም። ንድሕነቶም ስሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ነበርቲ እቲ ቀበሌ፡ ኣብቲ ከባቢ ብዝርከቡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ፌደራል እዩ ክወጹ ተነጊርዎም። ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ዝያዳ ሓበሬታ ካብ ሰበስልጣን እቲ ዞባን ካብ ኣመሓደርቲ እቲ ወረዳን ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/czrnxgy124eo"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ሚልዮናት ንምድሓን 'ህፁፅ' ተበፃሕነት ክህሉ ጸዊዑ","content":"ህይወት ናይቶም ኣብ ከቢድ ስእነት ዝርከቡ ሚልዮናት ንምድሓን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ህጹጽ ተበጻሕነት ከምዘድሊ ሰበስልጣን ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጾም። ኣብ ኣምሓራን ዓፋርን ለበዳ ሕማም ኮሌራን ዕንፍሩርን ዝተመዝገበ ኮይኑ፡ ትካላት ረድኤት ድሩት ተበጻሕነት ከምዘለወን ተገሊጹ’ዩ። ኣብ ትግራይ ዳግማይ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ፡ ነቲ ኣብታ ክልል ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከየጋድዶ ስግኣት ፈጢሩ ጸኒሑ'ዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ሰነ 2021 ጋዜጠኛታት ናብ ትግራይ ክኣትው ኣየፍቀደን። ኣብታ ክልል ኣገልግሎት መራኸቢታት ቴሌፎንን ኢንተርኔትን ተቋሪጹ ብምህላው ንህልው ኩነታት ሰብኣዊ ቅልውላው እታ ክልል ምፍላጥ ኣጸጋሚ እዩ። በቲ ኣብ ክልል ትግራይን መዋስንቲ ከባቢታትን ዝተኻየደ ኲናት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግመት። ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብታ ንሸሞንተ ሰሙናት ብኣየር ይኹን ብፅርግያ ተበጻሕነት ዘይነበራ ትግራይ ብዛዕባ ለበዳ ሕማማት ንፁር ሓበሬታ ክረክብ ከምዘይከኣለ እዩ ዝገልጽ። ይኹን እምበር ሰበስልጣን ከም ዝብሉዎ፡ ክታበት ህጻናት ተቛሪጹ ይርከብ። ቀረብ ፈሳሲ ኣይቪ፡ ኢንሱሊንን ጸረ-ነፍሳትን ከምዘየለ’ውን ይገልጹ። ብተወሳኺ ካብ 10 ማእከላት ጥዕና ትሕቲ ሓደ ጥራይ እናሰርሐ ከምዝርከብ ይሕብሩ። ኣብ ትግራይ ብርቱዕ ሕፅረት መግብን ነዳድን ዘጋጠመ ክኸውን ከሎ፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን 89 ሚእታዊ ህዝቢ እታ ክልል ውሕስነት መግቢ ከምዘይብሉን 29 ሚእታዊ ህፃናት ድማ ብሕፅረት መግቢ ይሳቐዩ ከምዘለው ይግመት። ኣብ መላእ ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን 13 ሚልዮን ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይግምት። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ትግራይ \"ምጽናት ዓሌት ንምክልኻል ዘሎ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ እዩ\" ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ'ዩ። ሎሚ ዓርቢ ሰበስልጣን ውድብ ጥዕና ዓለም ተበፃሕነት ትግራይ ህፁፅ ጉዳይ ከምዝኾነ ደጋጊሞም ገሊፆም ኣለዉ። ኣብዚ ሰሙን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዘተ ሰላም ዝተጀመረ እንትኾን፡ ክሳብ ሕጂ ግን ኣብ ተበጻሕነት ሰብኣዊ ውድባት ዘምጽኦ ዝኾነ ይኹን ለውጢ የለን። እቲ ኣብ ሰሉስ 25 ጥቅምቲ ዝተጀመረ ቀጥታዊ ዝርርብ ብብዙሓት ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ እዩ። ኣፈኛ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እቲ ዘተ ክሳዕ 30 ጥቅምቲ ከምዝቐጽል ምሕባሩ ይዝከር። ቪንሰንት ማግዌና ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቶም ተዋጋእቲ ሓይልታት ዘካይድዎ ልዝብ፡ ብሞንጐኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ኰይኑ፡ ፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡህሩ ኬንያታን ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ፑምዚለ ምላምቦ-ንጹካን ዘተሓባብርዎ ከምዝኾነ ገሊጹ። እቲ ኣፈኛ፡ “ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ንከብቅዕ መድረኽ ሰላማዊ ዝርርብ ተአንግድ ኣላ። ነቲ ኣብ ትግራይ ዝቕፅል ዘሎ ኣዕናዊ ጐንፂ፡ ሰላማውን ዘላቕን ፍታሕ ንምምፃእ ዝተሓስበ ሰላማዊ ዝርርብ ድማ፡ ካብ ሎሚ 25 ጥቅምቲ ጀሚሩ ክሳብ 30 ጥቅምቲ ክካየድ እዩ\" ኢሉ ነይሩ። ኣቦ መንበር ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሙሳ ፋኪ ብወገኑ \"ንግጭት ክልል ትግራይ፡ ኢትዮጵያ ሰላማዊ መፍትሒ ንምርካብ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ፈላሚ ቀጥታዊ ዘተ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምጅማሩ\"ሓጎስ ከምዝተሰምዖ ምግላጹ ይዝከር። ኣብዚ ዘተ ሰላም መንግስቲ ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ንሓድሕዶም ብሸውዓተ ተዛተይቲ ከም ዝውከሉ ሓበሬታ የረድኡ። ተወከልቲ ኢጋድ፡ ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ኣሜሪካን ኣብቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዘሎ ዘተ ሰላም ይሳተፉ ከምዘለው እውን ይፍለጥ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyj8gxpgynyo"} {"headline":"ሕብረት ኣውሮጳ፡ ሰብኣዊ ኩነታት ትግራይ ከም ዘሻቕሎ ገሊጹ","content":"ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው እናኸፍአ ምምጽኡ ከምዘሻቐሎ ኮሚሽነር ጉዳያት ቅልውላው ሕብረት ኣውሮጳ ገሊጹ። ጃነዝ ሌናርቺክ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ከም ብሓድሽ ዝተወልዐ ውግእ ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዘመዛበለ ብምጥቃስ፡ ኣብ ንብረትን ትሕተ-ቅርጽን ዕንወት ከምዘስዓበ ጠቒሱ። \"ውግእ ዳግማይ ምውልዑ ንንጥፈታት ምብጻሕ ሰብኣዊ ረዲኤት ኣዝዩ ዓንቃፊ'ዩ\" ክብል እቲ ብዓል ስልጣን ገሊጹ። \"ኣብ ነሓሰ 2022 ዳግማይ ዝተወልዐ ተጻብኦ፡ ኣብቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ሰብኣዊ ረድኤት ሃዋህው ጸገም ይፈጥር ብምህላዉ ንሕብረት ኣውሮጳ ዘሰንበደ እዩ\" ኢሉ። ሕብረት ኣውሮፓ፡ ኣብቲ ካብ ዝጅምር 3 ሕዳር 2020 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝተፈፀሙ ግህሰት ዓለም ለኸ ሰብኣዊ ሕጊ ኣዝዩ ከምዝኹንኖ ይሕብር። ኩሎም ወገናት ተፃብኦታት ብቕልጡፍ ኣቋሪፆም ኣብ ድርድር ዝተመስረተ፡ ተኹሲ ደው ናብ ምባል ክበፅሑ ድማ የተባብዕ። ብመሰረት ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኩሎም ተዋጋእቲ ወገናት እቲ ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይምትእጉጓል ንክበጽሕ ክተሓባበሩ ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ። ብተወሳኺ እቲ ሕብረት፡ ኩሎም ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት፡ መትከላት ጥንቃቐን ፍልልይን ኣካይዳ ተጻብኦታት ብጥብቂ ብምትግባር፡ ውሕስነትን ድሕነትን ሲቪላት፡ ሰብኣዊ ሰራሕተኛታትን ሰብኣዊ ንብረታትን ናይ ምርግጋጽ ግዴታ ከምዘለዎም የዘኻኽር። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ኣቆፃፅራ ግእዝ ጀሚሩ ክልተ ዓመት ክመልኦ ቀሪቡ ዘሎ ኲናት ስዒቡ፡ ኣሸሓት ህይወቶም እንትስእኑ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ድማ ተፀበይቲ ሰብኣዊ ረድኤት ኮይኖም ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ እቲ ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ምቁራጽ ተጻብኦ ኣብቒዑ፡ ኣብቲ ዞባ ዳግም ኲናት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከበድቲ ውግኣት ይካየዱ ከም ዘለውን ሰፊሕ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ከም ዘሎን ይግለጽ። ፀብፃብ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም፡ ብሰንኪ’ዚ ኣብ ብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብ መላእ ክልላት ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራን 13 ሚሊየን ህዝቢ “ህጹጽ ሓገዝ መግቢ” ከም ዘድልዮም ይሕብር። እቲ ዳግም ዝተወልዐ ኲናት ብፍላይ ሰብኣዊ ትካላት ስርሐን ደው ከብላን ገለ ሰራሕተኛታት ካብቲ ብግጭት ዝተሃስየ ከባቢታት ክስሕባን ብምግባሩ ኣብ ኣወሃህባ ሰብኣዊ ረድኤት ብኸቢድ ይዕንቅፍ ከምዘሎ’ውን ይግለጽ። ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብ ኣብ ትግራይ ዝፍጸሙ ዘለዉ መጥቃዕታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ [ድሮን]፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምምጻእ ዘሎ ተስፋ ዳግም ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ ክብል ኰኒኑ ነይሩ። ቅድሚ ሒደት መዓልቲ ኣብ ትግራይ፡ ረድኤት ጽዒና እትጉዓዝ ዝነበረት መኪና ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ መጥቃዕቲ ድሮን ብዝተፈጠሮ ፍርስራስ ከም ዝተሃርመትን መራሒ እታ መኪና ከም ዝቘሰለን እቲ ትካል ምግላጹ ይዝከር። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣሜሪካ ብዛዕባ እቶም ናብ ኢትዮጵያ ዝሰግሩ ወተሃደራት ኤርትራ ሻቕሎት ከም ዘለዋ ብምግላጽ፡ \"ሰራዊት ኤርትራ ደው ክብሉ ኣለዎም\" ኢሉ ነይሩ። ሰብመዚ ኤርትራ ብወገኖም ነቲ ዝቐርበሎም ነቐፌታታት ብምቅዋም፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሃገሮም መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ሃቐነ ከምዘለዎም ይኸሱ። ነቲ ሂወት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ቀዚፉ ዘሎ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ጭቡጥ ፍረ ኣየምጸአን።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw0n7npn1nxo"} {"headline":"ስምምዕ ሰላም ስለምንታይ ብስም ህወሓት ተፈሪሙ? ኣቶ ጌታቸው ረዳ ምስ ቢቢሲ ዘካየዶ ቃለመጠይቕ","content":"ንክልተ ዓመት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት ደው ንምባል ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ናብ ተግባር ዝሰጋገረሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። ብ2 ሕዳር 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ተጻብኦታት ደው ምባል፡ ምፍታሕ ዕጥቂ ህወሓትን ካልእን ዝሓዘ 12 ነጥብታት ዘለዎ ስምምዕ ደሕሪ ምፍርራም፡ ብላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝምራሕ ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ ልዝብ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ተዛዚሙ'ሎ። ክልቲኦም ወገናት ድማ ንኣተገባብራ ናይቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዝምልከት ብቀዳም 12 ሕዳር ኣብ ናይሮቢ - ኬንያ ውዕል ፈሪሞም ኣለዉ። ብወገን ህወሓት ንስምምዕ ፕሪቶርያ ዝፈረመ፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ናይቲ ውድብ ዝዀነ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠይቕ፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ ጕጅለ ልኡኽ፡ ናይ ህወሓት ዘይኰነስ \"ናይ መንግስቲ ትግራይ'ዩ\" ክብል መጒቱ'ሎ። ኣብ ከተማ ናይሮቢ ምስ ኣቶ ጌታቸው ዝተኻየደ ቃለመጠይቕ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ'ሎ። ቢቢሲ፤ ኣብዚ እዋን ተዅሲ ምሉእ ብምሉእ ደው ኢሉ ድዩ? ኣቶ ጌታቸው፤ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ብዝበሃል ደረጃ ደው ኢሉ እዩ። ኣብ ገለ ከባቢታት ጸለምቲ፡ ትማሊ (ቀዳም) ናይ ኣምሓራ ፍሉይ ሓይሊ ዝተወሰነ ምንቅስቓስ ከም ዝነበረ እፈልጥ እየ። ንምዝራግ ድዩ ካልእ ገና ክንሪኦ ኢና። ብውሑዱ ግን ኣብ መንጐ እቲ ማእከላይ መንግስትን መንግስቲ ትግራይን ዝግበር ዝነበረ ግጥም ደው ኢሉ እዩ። ቢቢሲ፤ ኣብ ፕሪቶርያን ኣብ ናይሮብን ኣብ ዝተኻየደ ልዝብ ምንዋሕ መዓልቲ ዘተ ነይሩ። ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ማሕለኻታት ነይሮም ድዮም? ኣቶ ጌታቸው፤ ነይሮም እዮም፤ ብሓደ ክልተ መዓልቲ ክውዳእ ዝነበሮ ልዝብ እንተተናዊሑ ዘይተረዳዳእናሉ ነገር ነይሩ ማለት እዩ። እቲ ቀንዲ ናይ ኣተሓሳስባ እዩ። ናብ ፕሪቶርያ ኣብ ዝኸድናሉ ሰዓት ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡መቐለ ይኣቱ ኣለኹ ወይ ክኣቱ እየ ዓይነት ነገር ትጽቢት ነይሩ። ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ምንቅስቓሶም ከምኡ እዩ ነይሩ። ስለዚ ናብ መቐለ ኣትዮም ናትና ናይ ምምጓት ድልየት ንምቕናስ ድልየት ዝነበረ ይመስል። በብመዓልቱ ዝቕየሩ ነገራት እውን ነይሮም። በብመዓልቱ ሓሳብ ይቕየር። ብዝዀነ ሚእቲ ፐርሰንት ክንረክብ ኢና ንኸይድ፤ ግን ኵሉ ኣይትረክብን። ብዛዕባ ኣብቲ ኲናት ናይ ወጻኢ ሓይልታት ምህላዎም ሕቶ ይለዓል ነይሩ። ተዅሲ ደው ክነብል ኢና ይብሉ'ሞ፡ ተዅሲ ኣብ ደው ምባል ደረጃ ክለዓሉ ዘይብሎም ብዙሓት ነገራት የልዕሉ። ኣብ ነዊሕ ግዜ ክለዓሉ ዝግበኦም ፖለቲካዊ ጉዳያት የልዕሉ፡ ንሕና እውን ነልዕል። ብገለ ምኽንያት ይፈርስ፤ ጸኒሑ ይቕጽል። ብዝዀነ ኣብቲ ዘሎ ኵነታት፡ ህዝቢ ይዅን መንግስቲ ትግራይ ዝሓሸ ናይ ምድርዳር ዓቕሚ ክፈጥረሉ ዝኽእል ኵነታት ኣብ ምፍጣር፡ ዘዋጽእ ዝበልናዮ ነገር ኢና ወሲንና። ሚእቲ ብሚእቲ ንሰማመዐሉ ማለት ኣይኰነን። ግን ምስተሰማማዕና ኣፈጻጽማኦም ዝረኣዩ ነገራት ናይ ባዕሎም ትርጕም ስለዝህልዎም ብዙሕ ዘከራኽሩ ጉዳያት ነይሮም። ቢቢሲ፤ እዚ ስምምዕ ብቐጥታ ተግባራዊ ከምዝኸውን እዩ ተገሊጹ ዘሎ። በዚ መሰረት ሓይልታት ትግራይ ኣብ 30 መዓልቲ ዕጥቂ ከምዝፈትሑ እውን ተቐሚጡ ኣሎ። ብኣንጻሩ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ ሓገዝ ካልእን ገደብ ግዜ ኣይተቐመጠን። ዛጊድ እውን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ኣይኣተወን። መዓስ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ? ገድብ ክቕመጥ ከ እንታይ ጌርኩም? ኣቶ ጌታቸው፤ ዕጥቂ ኣብ 30 መዓልቲ ይወርድ ዶ ኣይወርድን ካልእ ጉዳይ እዩ። ኣብ ፕሪቶርያ 30 መዓልቲ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቦም፡ ሽዱሽተ ወርሒ ዓሰርተ ወርሒ ምባል ብዙሕ ትርጕም ስለዘይብሉ ብተግባር ክልቲኦም ኣዘዝቲ እዮም ክንደይ መዓልቲ ከምዘድልዮም ኣጽኒዖም ዝውስኑ። ንሕና ዕጥቂ ዘልዐልናሉ ምኽንያት ህዝብና ክነድሕን እዩ። ዕጥቂ ሒዝና ህዝብና ክነድሕነሉ እንኽእል ዕድል ርኢና ተዋጊእና። ጽቡቕ ስራሕ ሰሪሕና። ምሰ ዕጥቅና እውን ህዝቢ ዝጸንተሉ ኵነታት ክፍጠር እንተርኢና እዚ ክነወግድ ስለዝግበአና፡ ብሰላማዊ መንገዲ ህዝቢ ዝድሕነሉ ኵነታት እንተርኢና ናብ ሰላም ዘይንመጸሉ ምኽንያት የለን ኢልና ናብዚ ጉዳይ ኣቲና። ስለዚ ዕጥቂ ምውራድ ልዕሊ ኵሉ ምስ ናይ ትግራይ ጸጥታ ክተሓሓዝ ኣለዎ ዝብል ኢና ኣልዒልና። ኣብኡ ድማ ኢና ረጊጽና። ኣንጻር ትግራይ ዝስለፍ ብዙሕ እዩ። ናይ ከባቢ ሓይልታት ኣለዉ። ናይ ፌደራል መንግስቲ ዝበሃል ሓይሊ ኣሎ። ናይ ኤርትራ ሓይሊ ኣሎ። ስለዚ ንሕና ናይ ጠበንጃ ድልየት ሒዝና ኣይኮነን ናይ ህዝብና ድሕነት ንምሕላው እዩ። ስለዚ ናይ ህዝብና ድሕነት ብሓዲኦም ዝሕሎ እንተኾይኑ፡ ዕጥቕኻ ምፍታሕ ከም ኢድካ ምሃብ ክረአ የብሉን። ናብ ናብርኡ ክምለስ ኣለዎ። እቲ ዋና ግን ህዝብና ብሰላም ክነብር ዶ ይኽእል? ናብ ንቡር ክምለስ ዶ ይኽእል? ዝብል እዩ። ስለዚ እዞም ጠበንጃ ዘዋጣውጡ ሓይልታት ህዝብና በብመዓልቱ ዝሓርዱ ሓይልታት ኣብኡ ከምዘየለዉ ክነረጋግጽ ኣለና። ስለዚ ባዕልና ክነውጸኦም ኢና ዝብሉ እንተዀይኖም ዕጥቂ ሒዝና እንቕጽለሉ ምኽንያት የለን ዝብል እዩ እቲ ስምምዕ። እቲ ዅነታት ብወርሒ ድዩ ብዓመት ዝውዳእ ግን እቶም ሰባት ምስተራኸቡ ዝገብርዎ ነገር እዩ። ሰብኣዊ ሓገዝ ብቕድሚ ትማሊ [ብዓርቢ] ክጅምር ነይርዎ። ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ ፖለቲካ መሳርሒ ዝዀነሉ ኵነታት ክህሉ ኣይነበሮን። ስለዚ እቲ ግጭት ናይ መካይን ምንቅስቓስ ዝዓግት እንተዀይኑ፡ ሕዚ እቲ ግጭት ደው ስለዝበለ ክጅምሩ ይኽእሉ እዮም። ተሰማሚዕና ኢና። ናተይ ትጽቢት ሎም መዓልቲ [ብሰንበት] ምንቅስቓስ ጀሚሮም እዮም ዝብል እዩ። እቶም ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ትካላት እውን ብፍላይ ኣብ ናይሮቢ ዳርጋ ኣካላት እቲ ምይይጥ ነይሮም ክበሃል ይከኣል እዩ። ስለዚ ነፈርቲ ምንቅስቃስ ይኽእላ እየን፤ ሓይልታት ትግራይን ፌደራልን እንታይ ክገብሩ ከምዘለዎም ተነጋጊሮም ኣለዉ። ስለዚ ብናተይ እምነት ርዳእታ ንምጅማር ዝኽልክል ነገር የለን። ቢቢሲ፤ ንምንታይ ደንጉዩ ኢልካ ትኣምን? ኣቶ ጌታቸው፤ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ድርድር ክመጽእ ኣይነበሮን። ነሓሰ 18 ግጭት ምስወልዑ ደው ዝበለ ነገር ኣሎ። ኣብቲ ሓገዝ ዝመጸሉ ዝነበረ ከባቢ ናይ ዓፋር ምንም ግጭት ኣይነበረን፡ ያው ደው ኢሉ’ዩ። ስለዚ ጻውዒት ኢኻ ከተቕርብ ትኽእል። ኣብ ኢድካ ዘየሎ ነገር ጻውዒት ካብ ምቕራብ ወጻእ ታይ ክትገብር ትኽእል? ስለዚ፡ ንምንታይ ተቛሪጹ? ሓገዝ ናይ ኲናት መሳርሒ ናይ ምግባር ድልየት ስለዝነበረ እዩ ተቛሪጹ ዝብል እምነት ኣለኒ። ሕዚ ኣብ ምርድዳእ በጺሕና አለና። ክንሰዶ ኢና ኢሎም ኣለዉ፤ ክንርእዮ ኢና። ቢቢሲ፤ ንምድንጓዩ ዝቐርብ ምኽንያት ግን እንታይ እዩ? ብዙሕ ሓገዝ ይኣቱ ከምዘሎ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ይገልጽ ኣሎ? ኣይተ ጌታቸው፤ ንሱ ጌጋ እዩ፤ ማለት እቲ ሓቂ እቶም ሰብኣዊ ሓገዝ ዝህቡ ኣካላት ብደንቢ ስለዝፈልጥዎ። ከምኡ ዓይነት ነገራት ክህሉ ይኽእል’ዩ። ንሕና ግን ብዙሕ ክንዛረብ ኣይደለናን። እታ ናይ ናይሮቢ ዘተ ክሳብ ትውዳእ፡ ንህዝቢ ትግራይ ሓገዝ ክመጽእ፣ ተዅሲ ደው ክብል፡ ኣካይዳ ዝሓሸ ዕድል ክህልዎ ንምግባር ብዝተወሰነ ደረጃ፡ ዋላ ህዝብና ብዙሕ ሓሳብ እናቕረበ፡ ሓበሬታ ስኢኑ’ውን እናሃለወ ብዙሕ ክንዛረብ ኣይደለናን። እዚ ንናይ ፕሮፖጋንዳ ሃልኪ ምጥቃም ክህሉ ከም ዝኽእል ንርዳእ ኢና። ግን እቲ ዋና ትዅረትና ሕዚ እዛ ጉዳይ እዚኣ ትሰርሕዶ ኣይትሰርሕን’ዩ። ኣብ መወዳእታ ንህዝቢ ትግራይ ህልውናን ድሕነትን ዘይጠቅም እንተዀይኑ ኣነ ስለዝበልኩ ወይ ፊርማ ስለዝተፈረመ ክጸንሕ ዝኽእል ተገይሩ ክውሰድ የብሉን። ቢቢሲ፤ ኣብቲ ስምምዕ ህላወን ምውጻእን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ዋላሓደ ብወግዒ ዝተገለጸ ነገር የለን፣ እንታይ ስለዝተሰማማዕኩም’ዩ ክግለጽ ዘይተደልየ? ኣይተ ጌታቸው፤ ብወግዒ ንሕና ሰራዊት ኤርትራ ከምዘሎ ንፈልጥ ኢና፡ ንሶም’ውን ይፈልጡ’ዮም። ናይ ወጻኢ ሓይልታት ብዝብል ዝተቐመጠ ነገር ኣሎ፡ ናይ ኤርትራ ኸኣ ናይ ወጻኢ እዮም። ስለዚ ኣብኡ ክኣቱ’ዩ ዝብል እምነት ኣለና። ካብኡ ንላዕሊ እንታይ ኢና ክንዛረብ። ስለዚ ናይ ወጻኢ ይዅን ካብ ምክልኻል ወጻኢ ዘለዉ ሓይልታት ካብ ትግራይ ክወጹ ኣለዎም’ዩ እቲ ስምምዕ። ናይ ኤርትራ ኣይለዓል እንተ ኢሎም፡ ከይልዓል ዝደልይሉ ምኽንያት ኣነ ብዙሕ ኣይፈልጦን’የ። ንሕና ግን፡ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ይውጽኡ እንተ ተባሂሎም፡ ምሳና ዝዋጋእ [ካልእ] ናይ ወጻኢ ሓይሊ ስለዘየለ፡ ዘስክፍ የብልናን። እቲ ዘሎ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ናይ ኤርትራ’ዩ ዝብል እምነት ኣለና። ብግልጺ ክጽውዑ ጸቒጥና ንሓትት ኢና። እቲ ሓደ ወገን [ስለምንታይ ከጥቀሱ ኣይደልን] ክግምት ኣይክልን’የ። ኣነ፡ እቲ ስምምዕ ንትግራይ ብዝጠቅም ይሰርሕዶ ኣይስርሕን’ዩ ዘገድሰኒ። ምኽንያቱ እቲ ዋና ሕማም ርእሲ ሕዚ፡ ከምቲ [ፕረዚደንት ኬንያ ነበር] ኡሁሩ ዝብሎ ዝነበረ፡ ኤርትራ ዝብል ቃል ተጠቕሰ ኣይተጠቕሰ ብዙሕ ዘገድሰኒ ነገር ኣይኰነን። ክወጹ ኣለዎም፡ ክወጹ ኣለዎም. . . ቢቢሲ፤ እቲ ስምምዕ ኣብ መንጐ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተፈጸመ ስምምዕ’ዩ። ሓይልታት ትግራይን ህወሓትን ድማ ዝተፈላለዩ ትካላት’ዮም፣ ህወሓት ፖለቲካዊ ውድብ’ዩ፡ እቲ ድማ ዓርሱ-ዝኸኣለ ትካል’ዩ፣ ህወሓት ኣክንዲ ሓይልታት ትግራይ ስምምዕ ክፍርም መን ስልጣን ሂብዎ? ኣቶ ጌታቸው፤ ህወሓት ኣይፈረመን፡ ህወሓት ኣይፈረመን! መንግስቲ ትግራይ’ዩ ከይዱ፡ ንመግስቲ ትግራይ ስለ ዘይንፈልጦ ህወሓት ክንብለኩም ኢና ኢሎምና። ንሕና ሰላም ኢና ንደሊ፡ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ፡ መንግስቲ ትግራይ በሉና፡ ህዝቢ መሪጹና ኢልና ክንማጐት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣይሰምዕ ገለ ኣይሰምዕ። ብሕጊ ኣይንፈልጠኩምን ኢሎም። ስለዚ ስምና ስለዘይተቐበልኩም እቲ ህዝቢ ትግራይ ዘድልዮ ሓገዝ፡ ንህዝቢ ትግራይ ዘድልዮ ሰላም፡ ዋላ ኣብ ገደል ይእቶ፡ ኣይንቕበለኩምን ክንብል ኣይደለናን። ኣብቲ ጕጅለ፡ ኣነን ምናልባት ሓደ ካልእ ሰብን ኢና ናይ ህወሓት ኣባላት ዘለና፡ ካልኦት ኣባላት ህወሓት ኣይኰኑን፡ ናይ መንግስቲ ትግራይ ወኪላት’ዮም። ስለዚ፡ ንመንግስቲ ትግራይ ኣይፈልጦን’የ ኢሉ እቲ ሓደ ወገን። ስለዚ ንመንግስቲ ትግራይ ስለዘይፈልጥ፡ ንሕና ናትና ትዅረት ተዂሲ ደው ክብል ኣለዎ፣ ሓገዝ ክመጽእ ክኽእል ኣለዎ፡ ኣገልግሎታት ክቕጽል ኣለዎ እዩ። ሕዚ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ፡ ‘ኖእ፡ መንግስቲ ትግራይ ኢልኩም እንተዘይፈሊጥኩምና ውግእ ክንቅጽል ኢና’ ድዩ ዘዋጽእ ወይስ ዝበልኩም በሉና ነቲ ህዝቢ ዝጠቅም ንስራሕ ዝብል’ዩ። ሕዚ’ውን፡ ብተደጋጋሚ ንነግሮም ኣለና። ህወሓት ሰራዊት ዝበሃል የብሉን፡ ዕጥቂ ኣውርድ ክብል ኣይክእልን፡ ስራሕና ኢኹም ተኽብድዎ ዘለኹም. . . ዕጥቂ ምውራድ ገለ ገለ ዝበሃል መስርሕ ክንጅምር፡ መንግስቲ ትግራይ ሓላፍነት ይውሰድ። ስለዚ ህወሓት ፈሪሙ ዝበሃል ዘረባ፡ ንስኹም’ውን ከተዐርይዎ ኣለኩም። ብዛዕባ ህወሓት ኣይኰንኩን ዝዛረብ. . . እቲ ዋና ነገር መንግስቲ ትግራይ’ዩ ‘ደሊገሽን’ [ጕጅለ ልኡኽ] ሰዲዱ። መንግስቲ ትግራይ ዝበሃል ኣይንፈልጥን እንተ’ይሉ እቲ ሓደ ወገን፡ እቶም ኣደራደርቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ‘እሞ በዚ ዲኹም ክትፋረሱ፡ ዝዀነ ስም ይሃብኹም’ [ኢሎምና]። ሼክስፒር እንታይ ይብል፡ “እንድሕር ጽቡቕ ነገር ሃልይዎስ፡ ዕንባባ ጽገሬዳ ካልእ ስም’ውን እንተ ትህባስ፡ መኣዛኣ ጽቡቕ’ዩ” ይብል። ንዓይ፡ ብዙሕ ሽግር ክፈጥር ከምዝኽእል እፈልጥ’የ። ህወሓት ወኪለ ኣይከድኩን ንፕሪቶርያ፡ መንግስቲ ትግራይ ወኪለ’የ ከይደ። ቢቢሲ፤ በቲ ሰነድ መሰረት እንዲኹም ትደራደሩ ዘለኹም፡ ብውድብ መሰረት ክግበር ‘ከሎን ከም መንግስቲ ተባሂሉ ክግበር ‘ከሎን ኣብ ኣፈጻጽማ ጽልዋ ኣይህልዎን? ኣቶ ጌታቸው፤ ክልቲኦም እንድዮም ዝሰማምዑ. . . ኣነ እገለ ኢለ’የ ዝፈልጠካ ይብል፡ ግደይ ኴንካ’የ ዝፈልጠካ፡ ኣብቲ ቁምነገር ግን ንረዳዳእ ኢሉኒ። ሐራይ፡ ኣነ ጌታቸው እየ፡ ግደይ ዋላ በለኒ፡ ኣብተን ቁምነገር ንሰማማዕ ኢለዮ። ሕዚ፡ ዕጥቂ ናይ ምውራድ ስራሕ ናይ ህዝቢ ድሕነት ማእከል ዝገበረ’ዩ ክፍጸም ዝኽእል። ዋላ መንግስቲ ትግራይ ተባሂሉ እንተ ትሰማምዑ’ኮ፡ ናይ ህዝቢ ትግራይ ድሕንነት ኣብ ዘይተሓለወሉ ኵነታት ዕጥቂ ክወርድ ኣይክእልን። ሕዚ፡ ኣብዛ ናይ ህወሓት መንግስቲ ገለ ትብል ጸወታ ንምንታይ ትኣቱ። ሓቂ’ዩ፡ ይርድኣኒ’ዩ፡ ብተደጋጋሚ ስለዝለዓል። ህወሓት ናብ ፕሪቶሪያ ኣይከደን፣ መንግስቲ ትግራይ’ዩ ናብ ፕሪቶርያ ከይዱ፡ ናይ መንግስቲ ትግራይን ፈደራልን ተባሂሉ። ስለዚ፡ እቲ ክፍጠር ዝኽእል ነገር፡ ጽልዋ እንታይ’ዩ . . . ሰራዊት ትግራይ ዝምልከት መንግስቲ ትግራይ ኴንና ኬድና ዝወሰንናዮ ዝተቐበልናዮ ስምምዕ ኣሎ፣ ድሕሪኡ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ መጺኦም፡ እንደገና ዝረኣናዮ ነገር ኣሎ። ንሱ ሪኢና ናይ ድሕንነት ትግራይ ኣብ ሓደጋ ብዘየውድቕ መንገዲ፡ ክግበር ዝግብኦ ነገር ክንሰርሕ ኢና መጺእና። እቲ ንሰርሖ ስራሕ ንህዝቢ ትግራይ ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ዘውድቕ እንተዀይኑ፡ ኣነ ስለዝደለኹ ስለዘይደለኹ ክኸውን ኣይክእልን። ክሰርሕ ኢና ንደሊ ግን ንሕና። ህወሓት’የ መንግስቲ’የ ገለ ዝበሃል፡ ንሶም ዘይተቐበልዎ ነገር፡ ነታ ዋና፡ ህዝቢ ትግራይ ማእኸል ጌርና፡ ሰላሙ ክረክብ፡ ሓገዝ ክኣቱ፡ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ብፖለቲካዊ መንገዲ ንምፍታሕ ዘኽእል ዕድል ምፍጣር፡ ከምኡ’ውን ሓገዝ ክኣቱ፡ እዚታት ዝደለናዮ ነገራት፡ ንህዝቢ ሕዚ ዘድልዮ ነገራት ካብ ምምጻእ ክዓግቶ ስለዘይደለና ኢና ‘ምበር፡ ህወሓት ከምዘይኰነ እቲ ተደራዳሪ ገሊጽና ኢና ብተደጋጋሚ። ዝእዝዞ ሰራዊት’ውን የብሉን ህወሓት። ቢቢሲ፤  ኣቐዲሙ ዘይትደራደርሎም ቅደመ-ኵነታት ነይሮም እዮም፣ ሸውዓተ፡ ሓሙሽተ ኢልኩም ዘቐመጥኩምዎም ነይሮም፤ ሕጂ ግን ሕድገታት ዝገበርኩም ትመስሉ? ነዚ ዘገደደ ኵነታት እንታይ’ዩ? ኣይተ ጌታቸው፡ ዝሓደግናዮ ነገር የለን። ብተጋጋሚ ዝለዓሉ፡ ዝሓደሩ፡ ናይ ትግራይ መሬት ንምንታይ ንሓድጐ? ሕዚ፡ ኣብ ሶሻል ሚድያ፡ ቀይሕ መስመር ገለ ዝበሃሉ ዝሰኣሉ ኣለዉ፡ መን ከምዝበሎም ዘይፍለጥ። እቲ ቀይሕ መስመር ዝበሃል ናይ ህዝቢ ትግራይ ድሕንነት’ዩ። ህልውና ህዝቢ ትግራይ’ያ እታ እተገድስ፡ እታ ዋና ቀይሕ መስመር ንሳ’ያ። ስለዚ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ኣሕሊፍና ክንህብ ኣይንኽእልን። ሕዚ’ውን፡ እቲ ንሰርሖ ዘለና ስራሕ፡ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ብዘተኣማምን መንገዲ ክሕሎ ዝኽእለሉ ኵነታት ንምፍጣር’ዩ። ንዋጋእ ህዝቢ ትግራይ ከነድሕን ኢና። ኣብ ውግእ ህዝቢ ትግራይ ክጠፍእ ንኸደሉ ኵነታት እንተልዩ ደው ክብል ክኽእል ኣለዎ። ብጥምየት፡ ብናይ ጸላእቲ ጥይት፡ ሰኣን መድሃኒት ዝውዳእ ህዝቢ ኣለና። ጀጋኑ ተጋደልቲ ሰራዊት ትግራይ፡ ጸላኢ ከጥቅዑ ኣብ ዝንቀሳቐስሉ ሰዓት፡ ዝተፋናቐለ ብዓሰረተተት ኣሽሓት ዝቝጸር ህዝቢ ኣብ ቅድሚኦም ይመጽእ። ነዚ ድዮም ዘድሕኑ? ስርሖም ድዮም ክሰርሑ? ስለዚ እቲ ዋና ቀይሕ መስመር ህልውና ህዝቢ ትግራይ’ዩ። ህልውና ህዝቢ ትግራይ ክንሕሉ ድማ ዝግበር ዘበለ ኵሉ ክንገብር ኢና። ካብኡ ወጻኢ፡ ሸውዓተ ነጥብታት ዝበሃል፡ ኣነ ሸውዓተ ነጥብታት ዘቕረብናዮ ኣይዝክርን፡ ከምኡ ዝበሃል የለን። ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ዝዀነ መሬት ከነምልስ፡ ህዝቢ ትግራይ ብምሉኡ ክንህግር ዝብል ሓላፍነት የብልናን። እቲ ዋና ትዅረትና፡ ህልውና ህዝቢ ትግራይ፡ ብናይ ጸላእቲ ጥይት፡ ብናይ ክባን ዕጽዋን ብናይ ኵሉ ሽርሕታት ሰኣን መድሃኒት፡ ሰኣን ቀለብ መሊኡ ዝጸንተሉ ኵነታት ክፍጠር የብሉን። ነዚ ደው ንምባል፡ ቅሩብ ህድእ ኢልና ነዚ ንምቕላባስ ዘኽእል ኵነታት ንምፍጣር እንተልዩ፡ ልዕሊ ኵሉ ጭርሖታትና’ዩ ዝመጽእ . . . ቢቢሲ፤ ዋላ’ኳ ንስኹም ህልውና ህዝቢ ትግራይ ዘቐደመ’ዩ እንተበልኩም፡ ነዚ ኲናት’ዚ ክከታተልዎ ዝጸንሑ ክኢላታት ግን፡ ነቲ ስምምዕ ምቕባልኩም፡ ምድኻም ሓይልታትኩም ዘገደዶ ምንስሓብ’ዩ ዝብሉ ኣለዉ። ክሳብ ጥቓ ኣዲስ ኣበባ በጺሕኩም ድሕሪ ምምላስኩም፡ ሕጽረት ሎጀስቲክስ ከም ዝገጠመኩም ዝጠቕሱ’ውን ኣለዉ። ብኣንጻሩ ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ኣብዚ ቀረባ እዋን ልዕሊ 200 ሽሕ ዓቕሚ ዘለዎ ምዃኑ ተዛሪቦም ነይሮም። ዓቕምኹም ኣብ ከመይ ኵነታት ይርከብ? ኣቶ ጌታቸው፤ ስንቂ ዘይብሉ ህዝቢ፡ እታ ዘላቶ ንሰራዊት ዘማቕል ጅግና ህዝቢ ዘለዋ ትግራይ’ያ ዘላትና። ሰራዊት ትግራይ ድማ ጅግና ሰራዊት’ዩ፡ ናይ ክልተ ኣብ ኣፍሪቃ ዓበይቲ ዝበሃሉ ሰራዊታት ገጢሞሞ፡ ከምበርክኽዎ ዘይከኣሉ ሰራዊት’ዩ። ቢቢሲ፤ ምስ ዓቕምና እንከለና ኢና ንደራደር ዘለና ዲኻ ትብል ዘለኻ? ኣቶ ጌታቸው፤ ብዛዕባ ዓቕምና ንምንታይ ክዛረብ ከምዝግባኣኒ ኣይርድኣንን’ዩ። ዓቕሚ ይሃሉ ኣይሃሉ፡ ተዛማዲ’ዩ። ሰራዊትና ጅግና’ዩ፡ ክዋጋእ ከጥቅዕ ዝኸደ ጅግና ሰራዊት፡ ዝተፈናቐለ ዓሰርተታት ኣሽሓት ህጻናት፡ ጥሪቶም ሒዞም ዝንከራተቱ ሰባት ርእዩ፡ እንታይ ዓይነት ውግእ’ዩ ክገጥም? ንዕኦም ድዩ ክሕሉ ወይስ ካልእ ነገር ክገብር? ብዛዕባ ምስ ዓቕምና እናሃለና፡ ምስ ዓቕሞም እናሃለዉ ዝበሃል ዘረባ፡ ኣብ ደገ ኴንካ ክትሓስቦ ቀሊል’ዩ። ሰራዊትና ጅግና ሰራዊት’ዩ። መስተንክር ሰሪሑ’ዩ። ዝዀረዐሉ ሰራዊት’ዩ። ሰብዓን ክልተን መዓልታት ናይ ኣፍሪቃ ዓበይቲ ዝበሃሉ ሰራዊታት ገጢሞሞ፡ ኣይሰዓርዎን። ክሰዓር ክንፈቕደሉ የብልናን፡ ኣይፈቅድን’ውን. . . ህዝቢ ክጸንት እናረኣየ ግን፡ ተዂሲ ደው ክብል ድሌት ኣለዎ ሰራዊትና። እቲ ሰራዊት ዝትኩሰሉ ምኽንያት ህዝቢ ከይጸንት’ዩ፡ ህዝቢ ከይፈናቐል’ዩ። ሰራዊት ብዝተኮሰ ቁጽሪ ህዝቢ ዝፈናቐል እንተዀይኑ እንታይ’ዩ ትርጕሙ? እዚ ሰራዊት’ዚ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ከረጋግጽ፡ ድሕንነት ህዝቢ ትግራይ ከረጋግጽ ዝተቓለሰ ሰራዊት’ዩ፡ ናይ ህዝቡ ሰላም ዝደሊ ሰራዊት’ዩ። ኣይለመሰን ግን ምስ ዓቕሙ እናሃለወ ናይ ህዝቢ ድሕንነት ይደሊ’ዩ። ቢቢሲ፤ ድሕሪ’ዚ ኣብ ናይሮቢ ዝገበርኩሞ ስምምዕ፡ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንህወሓት ወኪሉ ስምምዕ ሰላም ክፈራረም ዝለኣኽናዮ ተወካሊ የብልናን፡ ናይ ህወሓት ዝበሃል ሰራዊት’ውን የለን ኢሉ ወግዓዊ መግለጺ ኣውጺኡ’ሎ። ኣቶ ጌታቸው፤ ህወሓት ዝወከሎ ተደራዳሪ’ውን የለን። መንግስቲ ትግራይ ወኪልና ኢና ኬድና። ቢቢሲ፤ እቲ ንዓለምን ንህዝብን ዝተነገረ ሰነድ ግን፡ እቲ ስምምዕ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ከምዝተኻየደ’ዩ። ካልኣይ፡ መንግስቲ ትግራይ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ዝሃቦ መግለጺ የለን። ስለዚ ኣብ መንጐ’ቶም ንህወሓት ወኪሎም ናብቲ ድርድር ዝኸዱን ማእከላይ ኮሚተ ህወሓትን ምግምማዕ ከምዘሎ ዘርኢ’ዩ ዝብሉ ኣለዉ? ኣቶ ጌታቸው፤ ካብቶም ናይ መንግስቲ ወኪላት ኣነ ጥራይ’የ ናይ ህወሓት ኣባል። ጻድቃን ኣባል ህወሓት ኣይኮነን. . . ምግምማዕ ክመጽእ ዝኽእል ዝተገምዐ ሓይሊ እንተሎ’ዩ። ኣነ ጥራሕ’የ መጺአ ካብ ኣመራርሓ ህወሓት። ኣነ’ውን መንግስቲ ወኪለ’የ መጺአ። ናይ መንግስቲ ውክልና ሒዝና ኢና ተንቀሳቒስና። ህወሓት ዝብል ስለዘሎ፡ ናይ ህወሓት ሰራዊት ዝበሃል የለን። ንሱ ክቃለሰሉ’የ፡ ክትቅይርዎ ኣለኩም ኢልና ኢና።  ተዂሲ ደው ከነብል ኢልና ኣብ ዝገበርናዮ ስምምዕ ግን ስለዝዓንቀጹ፡ ስም መፋረሲ ኣይንግበሮ ኢልና ቀጺልና። ቢቢሲ፤ መግለጺ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት መንቀሊኡ እንታይ እዩ? ኣቶ ጌታቸው፤ ትኽክለኛ መግለጺ’ዩ ናይ ማእከላይ ኮሚተ መግለጺ። ሰራዊት የብለይን ይብል ኣሎ፡ ሰራዊት ስለዘይብሉ። ቢቢሲ፤ ወኪላት’ውን ኣይላእኽኩን ይብል ኣሎ. . . ኣቶ ጌታቸው፤ ህወሓት ወኪል ኣይልኣኸን፡ መንግስቲ ትግራይ’ዩ ወኪል ሰዲዱ. . . ቢቢሲ፤ ስለምንታይ ደኣ መንግስቲ ትግራይ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ መግለጺ ዘይሃበ? ኣቶ ጌታቸው፤ መንግስቲ ትግራይ መግለጺ ይሃብ ኢልኪ ሕተቲ። ኣነ ናብ ድርድር’የ መጺአ፡ ኣብኡ ወዲአ ድማ፡ ናይ ሶሻል ሚድያ ምጕት እምልስ ኣለኹ. . . ቢቢሲ፤ እቲ ኣብ ሶሻል ሚድያ ዝስማዕ ዘሎ፡ ቅረታታት ስለዘሎ፡ ስቕታ ስለዝበዝሐ፡ ኰይኑ ዶ ይስምዓካ? ኣቶ ጌታቸው፤ ስክፍታታት ይርዳኣኒ’ዩ። ቢቢሲ፤ ኣብ መወዳእታ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸር ህዝቢ ብጥምየትን ቅትለትን ሂወቱ ስኢኑ’ዩ። ብዙሓት ደቀንስትዮ’ውን ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ኰይነን’የን። ዝተፈላለዩ ግህሰታት’ውን ተፈጺሞም’ዮም፡ ድሕሪ’ዚ ኵሉ ትግራይ እንታይ ኣትሪፋ? ኣቶ ጌታቸው፤ ትግራይ ኲናት ኣይጀመረትን፡ ኣብ ልዕሊኣ’ዩ ኲናት ተጀሚሩ። ሰራዊት ትግራይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊኡ ዝተወልዐ ኲናት ክከላኸል’ዩ ተዋጊኡ። እዚ ዅሉ ጥፍኣት በጺሑ’ዩ። ኲናት ኣብ ዝግበረሉ ሰዓት ትርፊ ዝበሃል ነገር ክህሉ ኣይክልን’ዩ። ትግራይ ከተትርፍ ኣይትኽእልን፡ ማንም ከትርፍ ኣይክእልን። ህዝቢ ትግራይ ተሳቕዩ፡ ዋላ ይሕመቕ ይጸብቕ ዝነበረ ልምዓት ጠፊኡ። ህጻናት ትምህርቲ ከይከዱ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ተፈናቒሎም። እንታይ ትርፊ ክህሉ ይኽእል ካብ ኲናት? እንታይ ዓይነት መኽሰብ ክህሉ ይኽእል ካብ ኲናት? ካብ ኲናት ዝኽሰብ ነገር የለን። ህልውናና ከነረጋግጽ ዘኽእለና ቁመና ሒዝና፡ ትርፊ ዘይኰነ እንተወሓደ ክንከሓስ ኢና ዝብል እምነት ኣለና። ቢቢሲ፤ እቲ ካሕሳ እንታይ ክኸውን’ዩ? ህዝቢ ትግራይ እንታይ ክከሓስ ይኽእል? ኣቶ ጌታቸው፤ ህዝቢ ድልየቱን ዊንታኡን ባህጉ ምሉእ ብምሉእ ዝረጋገጸሉ፡ እንተስ ሃገርነት፡ እንተስ ዝዀነ ይዅን፡ ኣነ ክውስነሉ ስለዘይክእል፣ ዝኽእለሉ ኵነታት ምፍጣር’ያ እታ ካሕሳ። ንሳ ንምግባር፡ እተንስ ብሰላም እንተስ ብኲናት ብዅሉ መንገዲ ዝክኣለና ክንገብር ኢና። ህዝቢ ትግራይ ድማ ነዚ ካብ ምፍጻም ንድሕሪት ዝምለስ ህዝቢ ኣይኰነን። ቢቢሲ፤ መንግስቲ ፈደራል ዘቐመጦም ኵሎም ነጥብታት ድሕሪ ምቕባል ነዚ ምርግጋጽ ይከኣል ዶ? ኣቶ ጌታቸው፤ ይክኣልን ፈረቓን። ዝተቐበልክዎ ነገር ተዂሲ ደው ምባል’ዩ። ተዂሲ ደው ምስበለ ፖለቲካዊ ዘተ (ዳያሎግ) ክቕጽል’ዩ። ኣብ ፖለቲካል ዲያሎግ መሰል ዓርሰ-ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ዘየረጋግጽ እንተዀይኑ፡ ተዂሲ ደው ከብል ስለዝወሰንኩ ጥራይ ንዓይ ዝቕበል ሰብዶ ይህሉ? ኣነ ከም ድልየተይ ዘሽከርክሮ ህዝቢ ኣይኰነን ህዝቢ ትግራይ፣ ኣነ ከምድልየተይ ዘሽከርክሮ ሰብ ኣይኰነን ሰራዊት ትግራይ። ናይ ህዝቢ ትግራይ ድሌት ካብ ምምላእ ወጻኢ፡ ምንም ኣማራጺ ዘለዎ ኣይመስለንን፡ ፈደራል መንግስቲ ይዅን፡ ናይ ዓለም መንግስታት ይዅና፡ ገለ ይዅን. . . እቲ ዋና ነገር፡ ተዂሲ ደው ይበል፡ ሓገዝ ይቕረበሉ ህዝቢ ትግራይ፡ ግልጋሎት ይርከብ፡ ብሰላማዊ መንገዲ ብፖለቲካል ዲያሎግ (ፖለቲካዊ ዘተ) ዝፍታሕ ነገር እንተሃልዩ፡ ክንርእዮ ኢና። ዘይፍታሕ እንተዀይኑ ዕጥቂ ኣውርድ ስለዝበልክዎ ዘውርድ ሰራዊት የለን። ቢቢሲ፤ ብስምምዕ ተዛዚሙ’ሎ፡ እዚ ንክልተ ዓመት ዝዘለቐ ኲናት’ሞ. . . ኣቶ ጌታቸው፤ ኣይተዛዘመን። ተዂሲ ደው ኣቢልናስ. . .[ኲናት ተዛዚሙ ማለት ኣይኰነን]. . . ቢቢሲ፤ የጣዕሰኩምዶ፡ ከም መራሕቲ ትግራይ ናብዚ ኲናት’ዚ ምእታውኩም? ኣቶ ጌታቸው፤ ዘጣዕሰኒ ነገር የለን። ኣብ ልዕለይ ኲናት ተኣዊጁ፡ ናይ ህዝቢ ትግራይ ክብሪ ክሕሉ ኢለ ስለዝተጋደልኩ፡ ይኾርዕ ‘ምበር ዘጣዕሰኒ ዋላ ሓደ ነገር የለን። ዝፍታሕ ዝኽእል ዝነበረ ነገር ነይሩ እንተነይሩ’ሞ፡ እንተዝገብሮ ዝብሎ ነገር እንተልዩ፡ ሓደ ግዜ ዋላ ርእየ ፈቲሸ ክጥዓስ እኽል’የ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊኡ ዝተገበረ ኲናት፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝተነብረ ዕጽዋ ንምክልኻል ምስ ህዝበይ ስለዝተቓለስኩ፡ ስለዝተጋደልኩ ግን ዘጣዕሰኒ ዋላ ሓደ ነገር የለን። ቢቢሲ፤ ኣቶ ጌታቸው ንዝሃብካና ቃለመጠይቕ ነመስግን፡ የቐንየልና።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c6p93xvxpwdo"} {"headline":"ብመሰረት ዝተበጽሐ ስምምዕ እኹል ሓገዝ ይኣቱ የለን - ሰብ መዚ ትግራይ","content":"ብመሰረት ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝተሰበጽሕ ስምምዕ፡ ናብ ትግራይ እኹል መጠን ሰብኣዊ ሓገዝ ይኣቱ ከምዘየለ ሰብመዚ ትግራይ ገሊጾም። ምስ ቢቢሲ ሃርድቶክ ጻንሒት ዝገበረ ወሃቢ ቃል ህወሓትን መራሒ ተደራደርቲ ጉጅለ ትግራይን ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ዛጊድ ድሕሪ እቲ ውዕል ዝረብሕ መጠን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ከምዘይኣተወን ፖለቲካዊ ጸወታ ክኸውን ከምዝኽእል ከምዝጥርጥሩን ተዛሪቡ። “ዋላኳ ብመወገን ማሕበሰብ ዓለም ተገዳስነት እንተሃለወ፡ እቲ ዛጊድ እንርእዮ ዘለና ምዕባለ ግን እዚ ዝበሃል ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙንን ሎምመዓልትን በረራታት ተጸቢና ኔርና። እንተኾነ እቶም በረራታት ተሰሪዞም እዮም። ፖለቲካዊ ጸወታ ዝመስል ነገር ከምዘለዎ ኢና ንጥርጥር” ኢሉ። ዛጊድ ሰብኣዊ ሓገዘን መድሃኒት ዝሓዛ ውሑዳት መካይን ናብ ትግራይ ምእታወን ዘረጋገጸ ኣቶ ጌታቸው፡ እንተኾነ ነቲ ኣብታ ክልለ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ምላሽ ንምሃብ ከቢድ ጻዕሪ ዝሓትት ከምዝኾነ ተዛሪቡ። “ውሑዳት መድሓኒት ዝጸዓናን ብዓሰርተታት ዝቑጸራ ምግቢ ዝሓዛን መካይን ናብ ትግራይ ከምዝኣተዋ ይፈልጥ እየ። እንተኾነ ብመንጽር እቲ ገጢሙና ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው፡ እቲ ጻዕሪ ክሳለጥ ኣለዎ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ናይ ማሕበረሰብ ዓለም ዝሓየለ ጻዕርን ትኹረትን ዘድልዮ እዩ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ንጥርጣረ ብዘይህብ መልክዑ ሓላፍነቱ ክዋጻእ ኣለዎ” ኢሉ። ነቲ ንሞትን ምፍንቓልን ዜጋታት ከምኡ እውን ከቢድ ዕንወት ንብረትን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላውን ምኽንያት ዝኮነ ኲናት ደው ንምባል ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ናብታ ኣብ ዕጽዋ ዘላ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ፣ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክጅመሩን ዘኽእል ኮይኑ፡ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያን መላፍንቶምን ክዋግኡ ዝጸንሑ ሓይልታት ትግራይ እውን ዕጥቆም ክፈትሑ እዮም። ካልእ ምስ ቢቢሲ ጻንሒት ዝገበረ ኣባል ተደራዳሪ ጉጅለ ትግራይ ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው ብወገኑ፡ ድሕሪ እቲ ስምምዕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙን፡ ናብ መላእ ትግራይ ዝኣተዋ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን 145 ጥራይ ምዃኑ ገሊጹ። “ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ጉዳይ በቲ ዝተሰማማዕናሉ መንፈስ መሰረት ሰሊጡ ኣይመጽእን ዘሎ። ዳርጋ ኣብ ምሉእ ትግራይ፡ ንሕና ዝሓዝናዮን ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተትሓዘ ከባቢ ሓዊስካ፡ ኣብ ሰለስተ ሰሙን 145 መካይን እየን መጺአን። ዳርጋ ምልክት ኣርእዩ እምበር ጀሚሩ እውን ክትብሎ ከቢድ እዩ፤ እዚ የተሓሳስበና እዩ” ኢሉ። ተቛሪጾም ዝርከቡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ንምምላስ ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ብተመሳሳሊ ከምዘይሰለጠ ዝገለጸ ኣምባሳደር ወንድሙ፡ እዞም ጸገማት ነቲ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ትግራይ ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ሰብመዚ ትግራይ ዝተዘራረበ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ፕረዚደንት ናይጄርያ ነበር ኦሊሴጎን ኦባሳንጆ፡ ከምዝሓበርዎ ተዛሪቡ። እቲ ፍሉይ ልኡኽ ብወገኑ ነቶም ዝተልዓሉ ጸገማት ንምፍታሕ ምስ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ክዘራረብ ምዃኑ ከምዝሓበሮም እውን እቲ በዓል መዚ ተዛሪቡ። “ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ጉዳይ በዚ ደረጃ እዚ ዝተደናጎየን ዝወሓደን ኣይመሰለናን፤ ከምኡ እውን ኣይተነገረናን። እዚ ሒዝና ከንዘራረበሉ ኢና ኢሎም ኣለዉ።” ኣብታ ካብ መላእ ዓለም ተገሊላ ኣብ ሙሉእ ዕጽዋ ዘላ ትግራይ፡ ሚልዮናት ነበርቲ ብሰንኪ ሕጽረት ምግብን መድሃኒትን ንከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ተቓሊዖም ከምዘርከቡ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ። ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተፈረመ ውዕል ሰላም፡ ነቲ ህይወት ኣሽሓት ሰላማውያን ዝበልዐ፣ ሚልዮናት ዘፈናቐለን ማእለያ ዘይብሉ ንብረት ዘዕነወን ኲናት ደው ከብሎ፡ ተስፋ ተገይሩሉ ኣሎ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cnegwp48k30o"} {"headline":"እንተ ተዛሪብካ ጥይት ኣብ ግንባርካ'","content":"ሶራን ብሕርቓን ኢዱ እናወዛወዘ፡ “እንተተዛሪብካ ብጥይት’ዮም ግንባርካ ዝሃርሙኻ” ኢሉኒ። ኣብታ ብዓበይቲ እምባታት ዝተኸበበት፡ ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ኩርዲስታን እትርከብ ምስ ኢራን እትዳወብ ዒራቓዊት ከተማ ፑንጅወን ኢና ዘለና። እዚ ዘለናዮ መዋፈሪ ኣውቶቡሳት ካብ ኢራን ብዝመጽኡ ሰባት መሊኡ ኣሎ፡ ገለ ይወርዱ ገለ ይሳፈሩ ገለ ኸኣ ሻሂ ይሰትዩ፡ እቶም ዝበዝሑ ግን ናብተን ናብ ዒራቃዊት ከተማ ሱለይማንያ ዝወስዳ ሚኒባሳት’ዮም ዝጓየዩ ዘለዉ። ሶራን ክዛረብ እንከሎ፡ ብኢዱን ብእግሩን ምልክታት እንሓወሰ’ዩ ዘረድእ፤ ኣካላት ጸጥታ ኢራን ከመይ ገይሮም ከምዝሃረምዎ ንኸርእየኒ ወስታታት ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣይተጋደፈንን። “እዚ ቅድሚ ቅሩብ መዓልታት ንሰለማዊ ሰልፊ ምስ ወጻእኩ’ዩ ኣጋጢሙኒ” ድሕሪ ምባል፡ “ሰራዊት መንግስቲ ብበትሪ ፖሊስ ገይሮም ኣብ ሕቘይ ሃሪሞምኒ፡ ንዓርከይን ንኻልኦትን ብጥይት ሃሪሞምዎም፡ እዚ ዅሉ ኸኣ ኣብ ሰለማዊ ሰልፊ ስለዝተሳተፍና’ዩ” ሶራን ወዲ 32 ዓመት ኰይኑ ኣብ ከተማ ሳኩዝ’ዩ ዝነበር። ከተማ ሳኩዝ እታ መበገሲ እዚ ዅሉ ተቓውሞታት ዝዀነት፡ ጓል 22 ዓመት ማሕሳ ኣሚኒ ትነብረላ ዝነበረት ከተማ ኰይና፡ እዛ ኩርዳዊት መንእሰይ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከላ ድሕሪ ምማታ’ዩ ህዝቢ ኣንጻር መንግስቲ ስሙር ሰለማዊ ሰልፊ ጀሚሩ። ሶራን፡ ናብ ዒራቓዊት ከተማ ኩርዲስታን ብስራሕ’ዩ መጺኡ፡ ናብ ሃገሩ ክምለስ ድዩ ኣይምለስን ግን መልሲ ዘይተረኸቦ ሕቶ’ዩ። እቲ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣቢሉ ዝጀመረ ሰለማዊ ሰልፊ ኢራናውያን እናበኣሰ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ። ኣብታ ሃገር ናብራ መዓልታዊ እናኸረረ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ፣ መንግስቲ’ውን ህዝቢ ንሓድሕዱ መልእኽቲ ንኸይለዋወጥ ኣገልግሎት ኢንተርነት ደው ኣቢልዎ እዩ። “ቅድሚ ሕጂ ንመንግስቲ ንፈርሖ ኔርና ኢና፡ ሕጂ ግን መንደቕ ፍርሒ ዓነውነው ኣቢልናዮ ኢና። ሕጂ ንመንግስቲ ዝፈርሕ ኢራናዊ የለን” ይብል ሶራን። እዚ ሕጂ ተላዒሉ ዘሎ ህዝባዊ ቍጠዐ ነቲ እስላማዊ መንግስቲ ኢራን ከውድቘ ይኽእል ድዩ ንዝብል ሕቶ መልሲ ሶራን ንጹር’ዩ፤ “ኣይፋሉን፡ እቲ ስርዓት ኣይዓኑን’ዩ ዝቕየር’ውን ኣይኰነን። ሓያል’ዩ፡ ሰብ ምቕታል ደው ዘብል ስርዓት ኣይኰነን፡ ንሕና ኸኣ ዋላ እናቐተሉና ደው ኣይክንብልን ኢና” “ብልሹው ስርዓት እዩ፣ ብዛዕባ ሰብ ዝግደስ ኣይኰነን፡ መዓልታዊ ንሳቐን ንቕተልን ኣለና።” ኣብቲ መዋፈሪ ሚኒባስ፡ ሰባት፡ ልክዕ ከም ዕስለ ተዃሉ፡ እክብ ኢሎም ይርኣዩ። ብዘይካ ሓደ ኣብ ማእከሎም ዘሎ ኢራናዊ፡ ኵሎም ዒኣራቓውያን ኰይኖም፡ እቲ ኢራናዊ’ዩ ብዛዕባ ህይወቱ ዝገልጸሎም ነይሩ። ወዲ 36 ዓመት ፈርዳህ ካብታ ኣዝዩ ጽዑቕ ሰላማዊ ሰልፊ ዝካየደላ ዘሎ ከተማ ሳናንዳጅ’ዩ መጺኡ። ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኩርዲ፡ ኣባታ ከተማ 32 ሰባት ከምዝተቐተሉን 1,540 ከምዝተወግኡን ዝገልጽ ጸብጻብ ኣውጺኡ ነይሩ። ፈርሳህ ግን ቍጽሪ ምውታት ካብቲ ዝተገለጸ ኣዝዩ ከምዝዛይድ’ዩ ምስክርነቱ ዝህብ። “ትማሊ ምሸት ጥራይ 20 ሰባት ተቐቲሎም” እናበለ’ዩ ነቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ዒራቓውያን ዝነግሮም ነይሩ፤ ኣስዒቡ፡ “ገለ ሰባት’ውን እቶም ዝተቐተሉ 40 ከምዝዀኑ’ዮም ዝገልጹ፡ 70 ዝዀኑ’ውን ተኣሲሮም ኣለዉ። እንተዀነ ብዛዕባ እቶም ዝተቐተሉ እንተተዛሪብና ክንቅተል ኢና። ኣካላት ጸጥታ ኢራን፡ ስርሖም ተሓቢኦም ነቶም ዝዛረቡ ምስኣልን ምቕታልን’ዩ። ንሓወይ’ውን ብፖለቲካ ኣሳቢቦም ኣሲረሞ ኣለዉ” “እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ዝገብር ሰብ ብዝሑ ይውስኽ ኣሎ፤ እንተዀነ ክንዲ ዝበዛሕና እንተበዛሕና፡ ነቲ ስርዓት ክንኣልዮ ኣይንኽእልን ኢና፣ ሓያል'ዩ፡ በዚ ነቕነቕ ዝብል ኣይኰነን።” ትዋና ሓደ ካብቶም መኪና ክስቀሉ ሪጋ ሒዞም ዘለዉ ኢራናውያን እዩ። ሕጂ ኣብ ዶብ ኢራን ኣብ እትርከብ ዒራቓዊት ከተማ እዩ ዝነብር ዘሎ። እንተዀነ ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ኣብ ኢራን እዩ ክነብር ጸኒሑ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ሰሙን ከኣ ሓንሳብ ብስራሕ ናብ ኢራን ይኣቱ። ኣብ ዝሓለፈ ዉሑዳት ሳምንታት ኣብ ኢራን ዝርአ ዘሎ ለውጥታት ቅልጡፍ ምዃኑ ኸኣ ይገልጽ። “ኣብ ዶብ ዒራቕ ብዙሓት ሰራዊት ኢራን ዓሪዶም ኣለዉ፣ ምናልባት ምልሻ ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም።” ኣስዒቡ፡ “ብዙሓት መካይን መንእሰያት ጽዒነን ኣብ ዶብ የራግፋኦም ኣለዋ፣ ካብ ካልእ ክፋል ኢራን ብምምጻእ እዮም ኣብዚ መሬት ኩርዳውያን ዘራግፋኦም ዘለዋ። ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ኣይነበረን ሕጂ ግን ቍጽሮም ኣዝዩ በዚሑ’ሎ።” ትዋና ካልእ ዝተዓዘቦ ነገር፡ ቍጽሪ ናይቶም ካብ ኢራን ናብ ዒራቕ ዝሰግሩ ሰባት ምውሓዱ’ዩ። “እቲ ቝጽሪ ኣዝዩ ውሒዱ’ሎ፡ ሕጂ ብስራሕ ዝንቀሳቐሱ ሰባት ጥራይ’ዮም ናብ ዒራቕ ዝሰግሩ ዘለዉ፡ ናብ ዒራቕ እንድሕር ሰጊርና ኣካል ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ኢኹም ወይ’ውን ሰለይቲ ኢኹም ክንበሃልን ኣደራዕ ክወርደናን’ዩ፡ ዝብል ስግኣት ኣብ ብዙሕ ሰብ ዓሲሉ ኣሎ።” “ብሓቂ ኢራናውያን ናይ ግዳም ሓገዝ የድልየና ኣሎ፡ ክሳብ ሕጂ ዝዀነ ሓገዝ ኣይረኸብናን” ይብል ትዋና። መንግስቲ፡ ሕሳብ ባንክ ናይቶም ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ተሳቲፎም ኣለዉ ዝበሎም ሰባት፡ ጥራዩ የትርፎ ወይ የደስክሎ ከምዘሎ ትዋና ይሕብር። ሳሩህ ተመሃራይ ቴህራን ኰይኑ ብምኽንያት ስራሕ’ዩ ናብ ዒራቕ ዝንቀሳቐስ’ዩ። “ኣብ ቴህራን ዝርከቡ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ይሳተፉ ኣለዉ፣ ኣነ’ውን ክሳተፍ ጸኒሐ’የ። እንተዀነ 80 ሚእታዊት ካብቶም ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ዘለዉ ተመሃሮ፡ መንግስቲ ብጥይት ሰላማውያን ሰባት ክቐትል ዋላ እናርኣዩ ሕጕሳት’ዮም” እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ብደቂ ኣንስትዮ ዝጀመረ’ኳ እንተዀነ፡ ኣብቲ ዶብ ቃላ ክትህበኒ እትኽእል ጓል ኣንስተይቲ ክረክብ ኣይከኣልኩን። ምስቶም ተጓዓዝቲ’ውን ኣዝየን ውሑዳት ደቂ ኣንስትዮ’የን ነይረን። ናብ ሓንቲ ዓባይ ሰበይቲ ቅርብ ኢለ፡ ከመይ ውዒልክን ኢለ ዘረባ ኣብ ዝጀመርክሉ፡ ምስአን ዝነበረ ወደን ኣብ መንጐና እትው ኢሉ ንኣደኡ፡ “ዝዀነ ነገር ከይትዛረቢ” ኢሉ ገኒሕወን። እተን ሰበይቲ’ውን ዘረባ ወደን ሰሚዐን፡ ነቲ ኣብ እግረን ዝነበረ መሸማዕ ኣልዒለን ፍሽኽ ጥራይ ኢለናኒ፣ ናብታ ክጽበያኣ ዝጸንሓ ሚኒባስ ተሰቕላ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c89pd04le9lo"} {"headline":"ቅልውላው ኢትዮጵያ: ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ካብተን ዝበዝሐ ተመዛበልቲ ዘለውን ሃገራት ኮይና","content":"ኢትዮጵያ፡ ኣብ 2021 ኣብ ዓለም ካብተን ዝበዝሐ ተመዛበልቲ ዘለውን ሃገራት ከምዝኾነት ሓደ መጽናዕቲ ሓቢሩ። ንውሽጣዊ ምፍንቓል ዝከታተል ትካል (IDMC) ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብታ ሃገር 4.2 ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ከምዝተፈናቐሉ ገሊጹ። እቲ ንልዕሊ 18 ኣዋርሕ ዝቐጸለን ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓመ ኲናት ትግራይ፡ ሰፊሕ ምፍንቓል ከምዘስዓበ ይፍለጥ። ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ዓለም ብሰንኪ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ጎንፅታትን ሓድሽ ማዕበል ዓመጻን 59.1 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ እቲ ትካል ዘውፅኦ ፀብፃብ ይሕብር። ኣስታት 5 ሚሊዮን ተመዛበልቲ ዘመዝገበት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሓንቲ ሃገር ካብ ዝተመዝገቡ ተፈናቐልቲ እቲ ዝለዓለ ቁፅሪ ዘለዋ ሃገር ኮይና ኣላ። እቲ ብቤት ምኽሪ ስደተኛታት ኖርወይ (ኖርዌጅያን ረፍዪጂ ካውንስል) እተመስረተ ትካል ምክትታል ተፈናቐልቲ ዓለም፡ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኣፍጋኒስታንን ምያንማርን ካብተን ኣብ 2021 ዝለዓለ ቝጽሪ ውሽጣዊ ተመዛበልቲ ዝተራእየለን ሃገራት ምዃነን ጠቒሱ'ሎ። እቲ ፀብፃብ ኣስዕቡ ከም ዝሕብሮ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ መላእ ዓለም ዝነበረ ቁፅሪ ተመዛበልቲ፡ ብልዕሊ 4 ሚልዮን ዝኸውን ወሲኹ'ሎ። ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ን18 ወርሒ እተኻየደ ውግእ ሓድሕድ ብሚልዮናት ዝቝፀሩ ሰባት ካብ መረበቶም ክመዛበሉ ዝገበረ ዓቢ ሰብኣዊ ቅልውላው ፈጢሩ ይርከብ ። ቍፅሪ እቶም ዝሞቱ ሰባት ብልክዕ ዘይፍለጥ እኳ እንተዀነ እቲ ውግእ ግና ሃስያን ግፍዕን ከምዘስዓበ ይፍለጥ። ብሰንኪ'ቲ ኣብ መጀመርታ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት፡ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ብሚልዮናት ዝቝፀሩ ሰባት ተጸበይቲ ህጹጽ ረዲኤት ኮይኖም ኣለዉ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ከሎ፡ ኣብ ካልእ ክፍልታት እታ ሃገር ቅድሚ ሕዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓሌታውን ሃይማኖታውን ዓመጻ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ካብ ኣባይቶም ክሃድሙ ይገብር ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ዝዓበየ ክልል ኦሮሚያ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሓርነት ሕዝቢ ኦሮሞ (ኦ. ኤል. ኤፍ.) ዝገብሮ ዘሎ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ሞት ሰላማውያን ሰባት ከየስዕብን ነታ ሃገር ዘጋጥማ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ከየጋድዶን ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61515935"} {"headline":"ብኵናት ንዝተመዛበሉ ተጋሩ ዝሕግዙ ዘለው ኤርትራውያን","content":"ብ በሪሁ ሊላይ ኣብ ሕዳር 2020፡ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስትን ህወሓትን ተወሊዑ ኣሽሓት ሰባት ዘህለቐን ዘመዛበለን ኵናት፡ ንብዙሕ ህዝቢ ዓለም ብፍላይ ከኣ ንጎረባብቲ አሕዋት ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣሰንቢዱን ኣሻቒሉን እዩ። እቲ ኵናት ምስተባርዐ፡ ገሊኦም ነቲ ባእስን ዕግርግርን ዘጓህሩ ገለ ከኣ ነቲ ጽልእን ህልኽን ዝጻረሩ ወገናት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ርእይቶም ከፍስሱ ጀሚሮም። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ስደት ዝርከቡ ሓያሎ ኤርትራውያን ከኣ ነቲ ኣብ ዕጽዋን ከበባን ዝርከብ ብሰንኪ ኵናት ካብ ቤት ንብረቱ ዝተመዛበለን ዝተገፍዐን ሓውን ጎረቤትን ህዝቢ ትግራይ ተወዳዲቦም በብዓቕሞም ክድግፉ ተራእዮም። ሓያሎ ኣብ ሜድያ ዝነጣጠፉ ወገናት ከኣ፡ ነቲ ንፍቕሪ አሕዋት ዘጠጥዕ፡  ንሕልና ዘርግእ ሰናይ ተግባር ኣብ መደባቶም ከቃልሕዎ ጀሚሮም። ሓደ ካብኦም ከኣ  “ተፈታዊ ቶክሾው” ንእትብል መደብ ዘሰናድእ መንእሰይ ሰልጠነ ግርማይ ንገለ ካብቲ ኣብ ጸገም ዝወደቐ ህዝቢ ትግራይ ንምድጋፍ፡ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ኣተኣኻኺቡ ከምዝለኣኸ ንቢቢሲ ትግርኛ ሓቢሩ። ነቲ ሰናይ ተግባራቱ ከኣ ብምክትል ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳያትን ትግራይ ወ\/ሮ ኣለማትን ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረህይወትን ኣፍልጦን ናይ ምስጋና ደብዳቤን ተዋሂብዎ። መንእሰይ ሰልጠነ፡ ኵናት ትግራይ ቅድሚ ምውልዑ እውን ኣብ ጉዕዞ ስደት ኣብ ሊብያን ካልእን ጸገማት ንዘጋጠሞም ኤርትራውያን ብፍላይ ከኣ ንደቂ ኣንስትዮ ብመገዲ ‘ ጎ - ፋንድ- ሚ’ ንጽጉማት ይሕግዝ ምንባሩ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ጻኒሒት ገሊጹ። ኣብ ትግራይ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ምስ ኣጋጠመ እውን ኣብ ወጻኢ ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝተኣኻኸበ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ይልእኽ ከምዝነበረ እውን ይገልጽ። ለበዳ ኮቪድ ንዓለምና ምስ ወረራ ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ሰብ ሃብቲ ተጋሩን  ቤት ጽሕፈት ሓለዋ ጥዕና ትግራይን ኣስታት 171 ሽሕ ብር ዝግመት ከም ሳምናን ኣልኮልን፡ መሸፈኒ ኣፍ 'ማስክ'ን ዝኣመሰለ መከናኸሊ ኮቪድ ናብ መዓስከራት ሕጻጽን ሽመልባን ከምዘብጽሑ ኣብ ቢቢሲ ትግርኛ ተቓሊሑ ነይሩ። ግዳይ ኵናት ሕዳር 2020 ተጋሩ፡ ካብ ኣባይቶም ተመዛቢሎም ኣብ ፈቐዶ በረኻታት ዓዶምን ስግር ዶቦም ንሱዳንን ምስ ተሰዱን ኣብ ስደት ዝነብሩ ተጋሩን ኤርትራውያንን በብዓቕሞም ክደጋገፉዎም ፈቲኖም። መንእሰይ ሰልጠነ እውን ኣብቲ ኵናት ኣብ ገዛ እንዳ እኖሓጎኣ እንከላ ብዝተደርበየ ከቢድ ብረት ኣዲኣ፣ እኖሓጎኣን ሓዋን ንዝሞቱዋ ክልተ ኣእጋራ ዝስኣነት ንእስቲ ቤቲን፡ ኣብ ዛላምበሳ ወለዶም ንዝሰኣኑ ሓሙሽተ ቆልዑን ካብ ገዳም ደብረ ኣባይ ተሰጕጎም ብእግሮም ናብ ከተማ ሽረ እንዳስለሰ ንዝኣተዉ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብ ጸጋ ዕድመ ዝርከብዎም መነኮሳትን ንምሕጋዝ ካብ ገበርቲ ሰናይ ኤርትራውያን አሕዋት ንዝተዋጽአ ገንዘብ ናብቶም ግዳያት ከምዝበጽሕ ገይሩ። “እቲ ገንዘብ ካብ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝቕመጡ ኤርትራውያን ብስም ትውልዲ ዓዶምን ኣውራጃኦም ተኣኻኺቦም ንዝልእኹለይ ገንዘብ ኣኻኺበ እየ ዝሰዶ” ዝብል ኣቶ ሰልጠነ “እቲ ዝተኣከበ ገንዘብ ናብቶም ግዳያት ይበጽሕ ከምዘሎ ብቪድዮ ዝተደገፈ መርትዖ ከቕርብ ምስ ጀመረ ሰባት እምነት ከሕድሩ ከምዝጀመሩ ሓቢሩ። ሓደ ካብቶም ብመገዲ ሰልጠነ ግርማይ ንግዳያት ኵናት ተጋሩ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ዝለኣኸ ነባሪ ኣመሪካ ድራር ገብረኺዳን፡ “ ተጋሩ ኣብ ጸገምና ስለዝሓገዙናን ዘዕቆቡናን ክንድግፎም ሕውነታውን ሕልናውን ግዴታ ኣለና” ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ። “ ከም ደለይቲ ፍትሒ፡ ነቲ ብዕጽዋን ከበባን ኣብ ሽግር ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ምሕጋዝ ማለት፡ ሓደ ሰብ፡ ሰብኣዊ ፍጡር ስለዝኾነ ጥራይ ክገብሮ ዝግባእ ሓገዝ ኢና እንገብር ዘለና” ኢሉ። ካልእ ኢሳይያስ ዓደይኮታ ብዝብል መጸውዒ ዝፍለጥ ነባሪ ኣመሪካ ኤርትራዊ፡ “ኣብ ልዕሊ እቲ ብኹለንትናኡ ንዓና ዝመስል ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከብ ቀንዲ ሓው ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ዝበጽሕ ኣደራዕን ሽግርን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝበጽሐ ኢና እንቖጽሮ” ይብል። ዘረብኡ ብምቕጻል “እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ወሪዱ ዘሎ ጸበባን ጥምየትን ኣብ ኤርትራውያን ወሪዱ እንተዝኸውን እሞ ህዝቢ ትግራይ ኢዱን እግሩን ኣኪቡ እንተዝጥምተና እንታይ ምተሰማዓና? ክብል ድሕሪ ምሕታት፡ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ዘለዎ ሽግር ተናጊፉ እንተስ ኣብ ኢትዮጵያ ከም ክልል ኮይኑ እንተስ ብሪፈረንደም ሃገር ኮይኑ ከም ምርጭኡ ኣብ ክልተ ሃገራት ከም እንነብር ጎረባብቲ ህዝብታት ነንሓድሕድና ክንደናገጽ ንቡር’ዩ” ክብል ርእይትኡ የቐምጥ። ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ተቐማጣይ ሃገረ እስራኤል ኤርትራዊ ኣቶ ሓጎስ ኣብርሃ ብወገኑ “ብሰንኪ ኣብ ሃገረይ ዘሎ ስርዓት ካብ ዓደይ ተሰዲደ ናብ ትግራይ ምስ ኣተኹ፡ ህዝቢ ትግራይ ንሰለስተ ዓመት ሓብሒቡ ስለዘዕቖበኒ ኣብ ግዜ ሽግሩ ሓገዘይ ክገብረሉ ሕልናይ ይድርኸኒ’ዩ” ድሕሪ ምባል ንቐጻሊ’ውን  ንሱን ካልኦት ኤርትራውያን ንኽሕግዙን ጎስጓስ ከምዝገብርን ገሊጹ። ኣብቲ ንተጋሩ ግዳያት ኵናት ዝግበር ናይ ገንዘብ ሓገዝ ብዓቕማ እትሳተፍ፡ ዓባይኣ “መዓስ ኮን እያ እዛ ዶብ ትኽፈት” ክብላ እትዝክር ሓንቲ ኤርትራዊት መንእሰይ፡ “ተሰዲድናያ ዝኸድናዮ ህዝቢ ትግራይ ገጹ ኣብሪሁ ዝተቐበለና ሓው ስለዝኾነ፡ ኣብ ጸገሙ ክንሕግዞ ሕልናውን ሕውነታውን ግዴታ ኣሎና” ኢላ። ካብ ጅቡኡ እውን እንተኾነ ብርክት ዝበለ ኣሽሓት ናብ ህዝቢ ትግራይ ከምዝለኣኸ ዝዛረብ መንእሰይ ሰልጠነ፡ እቲ ንተጋሩ ምሕጋዝ ዘይተዋሕጠሎም ሓደ ሓደ ሰባት ናይ ጸለመ ጎስጓስ ከምዘካይዱ ይሕብር። እንተኾነ እቲ ገበርቲ ሰናይ ኤርትራውያን ዜጋታት ዘዋጽኡዎ ገንዘብ፡ ወግዓዊ ማሕተም ብዘለዎ ወረቐትን ብቪድዮ ዝተደገፈ መረዳእታን ኣብ መዓልኡ ይውዕል ከምዘሎ ስለዝፈልጥ ዕጉብ ምዃኑ ይገልጽ። ኣቶ ሰልጠነ ግርማይ፡ ዘሕዝን ዛንታ እታ ወላዲታ ኣብ ቅድሚ ዓይና ዝተቐትለታን ድሃይ ኣቦኣ ዘይብላን  ጓል 12 ዓመት ጸሃይቱን ምንኣሳ ፍርቱና ሓፍታን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስ ሰምዐ ሽዑ ንሽዑ ሓደ ሽሕ ዶላር ከምዝለኣኸላን ክሳብ ምስ ወላዲአን ዝራኸባ ድማ ከም ኣቦ ኮይኑ ክናብየን ፍቓደን ሓቲቱ ይሕግዘን ከምዘሎ፡ ካብ ዓድግራት ናብ መቐለ ወሲዱ፡ ገዛ ተኻርዩ  ንከምህረን መደብ ከምዘለዎ ብምግላጽ “ኣብ ትግራይ ክልተ ደቀይ ኣለዋኒ” ይብል። ሰልጠነን ካልኦት ሓያሎ ኣብ ሚድያ ዝነጣጠፉ ሰባት፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዓስከር ስደተኛታት ኣብ ሊብያን ሱዳንን ንዝርከቡ ጽጉማት ኤርትራውያን ተመሳሳሊ ሓገዝ  ከምዝገብሩ ይፍለጥ። እቲ መንእሰይ “እዚ ኣብ ክልተ ሃገራት ዝነብር ኣሕዋት ህዝብታት ካብ ሕሰምን መከራን ክሳብ ዝናገፍ ዓቕመይ ዘፍቀደለይ ኣበርክቶ ክገብር’የ” ክብል ኩሉ ሕልና ዘለዎ ሰብ ምእንቲ ሰላምን ፍቕርን እዚ አሕዋትን ጎረባብትን አህዛብ እጃሙ ከበርክት ይምሕጸን።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c51gwyy9zeqo"} {"headline":"ንኢትዮጵያ ተባሂሉ ካብ ዩክረይን ዝተጻዕነ ስርናይ ጅቡቲ በጺሑ","content":"ኲናት ዩክረይን ካብ ዝጅመር ንመጀመርታ ግዜ ናብ ኣፍሪቃ ዝተላእከ 23 ሽሕ ቶን ስርናይ ኣብ ወደብ ጅቡቲ በጺሑ። እዛ ባንዴራ ሊባኖስ ዘንልበለት፡ 'ብሬቭ ኮማንደር' ብዝተባህለት መርከብ ዝለኣኽ ዘሎ እኽሊ፡ ናብታ ኣብ ከቢድ ጠለብ ሓገዝ መግቢ ዘላ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ምዃኑ ተሓቢሩ። እታ መርከብ ካብ ደቡባዊ ዩክረይን ናብ ጅቡቲ ንኽትበጽሕ ክልተ ሰሙን ወሲዱላ። እቲ ስርናይ ንሓደ ወርሒ ን1.5 ሚሊዮን ኢትዮጵያውያን ዝቕልብ’ኳ እንተዀነ፡ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ብርክት ዝበለ ሰብኣዊ ቅልውላው ግን እዅል ኣይኰነን። ብተወሳኺ፡ ኣብ ክልል ሶማል ብሰንኪ ተኸታታሊ ሕጽረት ዝናብን ደርቂን ንዝተጠቕዑ 2.4 ሚሊዮን ሰባት ንምሕጋዝ ክውዕል ትጽቢት ይግበር። ኢትዮጵያ ሓዊሱ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተናውሐ ሓያል ደርቂ ኣጋጢሙወን ኣሎ። እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ድማ ኣስታት 20 ሚልዮን ሰባት ንህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣቃሊዑ ይርከብ። ከም ጸብጻብ ትካል ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ እቲ እኽሊ ብመኪና ናብ ኢትዮጵያ ክሳብ ዝበጽሕ ክልተ ሰሙናት ክወስድ እዩ። እቲ ትካል፡ ብሰንኪ ጐንጽን ደርቅን ዝተመዛበሉን ተጸበይቲ ሓገዝን ስደተኛታትን ንምሕጋዝ ዘኽእሎ ክዙን ቀረብ መግቢ ንምሓዝ፡ ወጻኢታት እቲ ጽዕነት ከፊለ’የ ይብል። ቅድሚ ኲናት ዩክረይን፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሰለስተ ሲሶ ዝኸውን ረድኤት መግቢ ካብ ዩክረይንን ሩስያን ይዕድግ ነይሩ። ወሃቢ ቃል እቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ክሌር ነቪል፡ ቅድሚ ሕጂ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል እቲ ስርናይ ቅድሚ 22 ኣዋርሕ ብዝተወልዐ ኲናት ኣብ ጸገም ንዘለው 3.4 ሚልዮን ነበርቲ ትግራይን ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ንዘለው ህዝብታትን ንምሕጋዝ ከም ዝውዕል ሓቢሩ ነይሩ። ይዅን’ምበር፡ ተራጸምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ዳግም ናብ ኲናት ምእታዎም ንንጥፈታት ምቕራብ ረድኤት ከተዓናቕፎ’ዩ ዝብል ስግኣት ፈጢሩ ምህላው ዳይረክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ምብራቕ ኣፍሪቃ ሚካኤል ዳንፎርድ ገሊጹ። ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ መግቢ፡ መድሃኒትን ነዳድን ናብ ትግራይ ምብጻሕ ክኢሉ ነይሩ። ሕጂ ግን ብሰንኪ እቲ ኲናት ደው ከብሎ ተገዲዱ ኣሎ። “ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኵነታት ጸጥታን ናብቲ ህዝቢ ክንበጽሐሉ እንኽእል ኵነታትን ንግምግም ስለ ዘለና፡ ኣብ ትግራይ ዝነበረና ምንቅስቓስ ደው ኢሉ ኣሎ፤ ኣብ ሰለስቲኡ ክልላት በቲ ኲናት ዝተጐድኡን ሰብኣዊ ረድኤት ዘድልዮምን ልዕሊ 13 ሚልዮን ሰባት ምህላዎም ኣዝዩ ዝኸፍአ ቅልውላው ይገብሮ፡” ኢሉ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ዩክረይንን ሩስያን መግቢ ንምጕዕዓዝ ዝሕግዝ መስመር ንምኽፋት ምስ ቱርኪ ተሰማሚዐን ነይረን። እዚ መተሓላለፊ መገዲ ካብ ዝኽፈት ንነጀው ድማ 560 ሽሕ ቶን እኽልን ካልኦት ዓይነታት መግብን ካብ ወደባት ዩክረይን ተላኢዀም ኣለው። 70 ሚእታዊት ካብዚ ኸኣ ናብ ቱርኪ፡ ኢራንን ደቡብ ኮርያን ተላኢኹ'ሎ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክሳብ ሕጂ 60 ሽሕ ቶን ስርናይ ካብ ዩክረይን ብምግዛእ ኣብ ጸገም ንዘለዋ ሃገራት ከም ዝለኣኸ ይገልጽ። ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ካብ ዩክረይን ዝመጽእ እኽሊ ጠጠው ምባሉ፡ ሕጽረት መግቢ 30 ሚሊዮን ቶን ከምኡ’ውን 40 ሚእታዊት ዝቕባበ ዋጋ ንኽፍጠር ምኽንያት ከም ዝዀነ ይገልጽ። ኣብ ናይጀሪያ፡ ከም ፓስታን ሕብስትን ዝኣመሰሉ መግቢታት ዋጋኦም ብ50 ሚእታዊት ክብ ኢሉ’ዩ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cpwev2526p9o"} {"headline":"ዶ\/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ 'ናብ ዝጠመዩ ስድራቤተይ ገንዘብ ክሰድድ ኣይከኣልኩን'","content":"ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብታ ብኲናት ዝተሃስየት ክልል ትግራይ ንዝርከቡ \"ብጥሜት ዝተጠቕዑ\" ኣዝማዱን ኣባላት ስድርኡን ገንዘብ ክሰድድ ከምዘይክኣለ ኣፍሊጡ። \"ኣብኡ ብዙሓት ኣዝማድ ኣለዉኒ። ገንዘብ ክሰደሎም እየ ዝደሊ። ገንዘብ ክሰደሎም ግን ኣይክእልን\" ኢሉ ኣብ'ቲ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ። ኣስዒቡ፡ \"መን ሞይቱ'ውን ብህይወት ከምዘሎ'ኳ ኣይፈልጥን እየ\" ኢሉ። እቲ ኲናት ኣብ 2020 ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ፡ ትግራይ ካብ ዓለም ተኸዊላ እትርከብ ኰይና፡ መብራህቲ ይኹን ቴለፎን ተቛሪጹ ይርከብ። ኣገልግሎት ኢንተርነትን ባንክን እውን ኣይርከብን። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ’ቲ ክልል ናይ ረድኤት እገዳ ብምግባሩ ዕንቅፋት ገይሩ ተባሂሉ ክኽሰስ ጸኒሑ'ዩ። መንግስቲ ብወገኑ እቲ ኲናት ጠንቂ ናይቲ ዕጽዋ ምዃኑ ይምጉት። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሲቪላት ሞይቶም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ድማ ህጹጽ ሓገዝ መግቢ የድልዮም ከምዘሎ ይግለጽ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዳርጋ ፍርቂ ካብ መላእ ህዝቢ ትግራይ ህጹጽ ረድኤት ከም ዘድልዮ ይሕብር። ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተወስደ ምቁራጽ ተጻብኦታት ስዒቡ፡ ንኣዋርሕ ህድኣት ድሕሪ ምጽንሑ፡ ኣብዚ ሰሙን እቲ ውግእ ዳግም ጀሚሩ ኣሎ። ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ነበር ዶክተር ቴድሮስ፡ ብዛዕባ እቲ ኲናት ክዛረብ ንፈለማ እዋን ኣይኮነን። ትማሊ ረቡዕ፡ እቲ ኩነታት ካብቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ዝሓሰመ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ምኽንያት ዝሕቱል ዓለማዊ ምላሽ ድማ ‘ዓሌታዊነት’ እዩ ክብል ከሲሱ። \"ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ልዕሊ'ቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ምዃኑ ክነግረካ እኽእል እየ፡ ብዘይ ዝኾነ ምግናን። ቅድሚ ብዙሕ ኣዋርሕ ድማ ኢለዮ ነይረ፡ ምናልባት እቲ ምኽንያት፡ ሕብሪ ቆርበት ህዝቢ ትግራይ ክኸውን ይኽእል'ዩ።\" ንሱ፡ ኣብ 2020 ሓደ ኢትዮጵያዊ ጀነራል ንሓይልታት ትግራይ ኣጽዋር ኣብ ምዕዳግ ሓጊዙ ዝብል ክሲ ነጺግዎ ነይሩ። \"ኣብዚ ኩነታት፡ ጸግዒ ይሕዝ ከምዘለኹ ዝሕብሩ ጸብጻባት ክቐርቡ ጸኒሖም'ዮም። እዚ ግን ሓቂ ኣይኮነን\" ክብል ኣብቲ እዋን ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ነይሩ። ኣብ ካልእ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝነብሩ ተጋሩ'ውን፡ ብተመሳሳሊ፡ ምስ ኣዝማዶም ንምርኻብ ልክዕ ከም'ቲ ዶክተር ቴድሮስ ዘጋጠሞ፡ ብዙሕ ፀገማት ኣጋጢምዎም ኣሎ። ኣብ ወጻኢ ዝነብር፡ ምሁር ስነ-ቑጠባን ተመራማርን-ክብሮም ኣባይ፡ ናብ ትግራይ ገንዘብ ምልኣኽ ኣዝዩ ኣፀጋሚን ብዙሕ ወፃኢ ዝሓትት ምዃኑን፡ እዚ ድማ ኣብቲ ክልል ፋይናንሳዊ ግልጋሎት ምቁራፅ ዘስዓቦ ምዃኑን ይወቅስ። ክብሮም፡ \"ነቶም ህይወቶም በቲ ካባይ ዝስደድ ገንዘብ ዝምርኮሱ ዝነበሩ፡ ብጥሜት ዝሳቐዩ ዘለዉ ወለደይ፡ ክሕግዞም ዘይምኽኣለይ፡ ኣዝዩ ዘሕምምን ውሽጠይ ዝትንክፈንን ነገር\" እዩ ኢሉ። ሓደ ኣብ ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝነብር ተወላዲ ናይቲ ክልል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ 20% ኮሚሽን ከፊሉ፡ ናብ ትግራይ ገንዘብ ዘብጽሕ ሰብ ከምዝረኸበ ሓቢሩ። \"እቲ መደብ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ክበጽሖም ዝብል እዩ ነይሩ። ሕዚ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ኮይኑ'ሎ፡ ስድራይ ክቕበልዎ ኣይከኣሉን። ብዛዕባ ህሉው ኩነታቶም'ውን ኣይፈልጥን'የ። ምስኦም ክራኸብ ኣይከኣልኩን።\" ካልኦት ድማ፡ ንስድራ ቤቶም ገንዘብ ክልእኹ፡ ደላሎ እኳ ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ካብኣቶም ሓደ፡ \"ስድራይ ኣብ [ሓንቲ] ርሑቕ ቁሸት እዮም ዝነብሩ። ዋላ እቶም ደላሎ እንተኾኑ’ውን ናብኡ ክኸዱ ኣይኽእሉን። ክድውል ከለኹ፡ እቶም ደላሎ መጓዓዝያ ስለዘየለ ናብኡ ኣይንኸይድን ኢሎምኒ\" ኢሉ። እቲ ከም ብሓድሽ ዝተልዓለ ውግእ ንሳልሳይ መዓልቱ ከምዝቐጸለ ዝግለፅ እንትኸውን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ዓርቢ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ መቐለ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝፈፀመ መራሕቲ ትግራይ ገሊፆም። ቴሌቪዥን ትግራይ፡ ናይ ሓደ ዝዓነወ ህንጻ ምስሊ ብምርኣይ፡ በቲ መጥቃዕቲ ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ እኳ እንተገለጸ፡ እቲ ጸብጻባት ግን ብናጻ ኣካል ክረጋገጽ ኣይከኣልን። ቤት ፅሕፈት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሰባት፡ \"ወተሃደራዊ ናውትን ናይ ስልጠና መሳርሕታትን ህወሓት ካብ ዝርከበሉ ከባቢታት\" ክርሕቁ ይግባእ ይብል። እቲ መግለጺ፡ ነቲ ዝተባህለ ክሲ ብደብዳብ ነፈርቲ ብቐጥታ እንተዘይኣመልከተ’ኳ፡ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከምዝተፍጸም ኣሚቱ'ሎ። ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንቢቢሲ መደብ ኒውስደይ ኣብ ዝሃበቦ መግለፂ፡ ሕዚ እውን ከቢድ ውግእ ይካየድ ከምዘሎን ህዝቢ ትግራይ ድማ ይሳቐ ከምዘሎን ገሊጹ። መራሕቲ ትግራይን መንግስቲ ፌዴራልን ብዛዕባ ዳግማይ ምውላዕ ውግእ ነንሕድሕዶም ይካሰሱ ኣለዉ። ጌታቸው ረዳ፡ \"ሰበስልጣን ኣዲስ ኣበባን መሻርኽቶምን፡ ብዘንበርዎ ዕጽዋ፡ ንጥሜት ዝተቓልዐ ህዝቢ ኣለና። ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣዝዩ ዘድልዮ እዩ\" ኢሉ። \"ብጭቡጥ ሓቂ፡ ህዝብና ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዘድልዮ ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ እቲ ኲናት ንሕና ጀሚርናዮ እንትንኸውን ዕሽነት እዩ ዝኸውን\"። ነበርቲ እታ ካብ ገለ ካብቲ ዝተገልጸ ውግእ ኣስታት 25 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ቆቦ፡ ሕዚ'ውን ድምጺ ከበድቲ ኣጽዋር ክሰምዑ ከምዝኽእሉ ንቢቢሲ ሓቢሮም። \"እቲ ኲናት ድሮ ተጋዲዱ ኣሎ። ተወሳኺ ሓይሊ ምክልኻል'ውን ናብቲ ከባቢ ይኣቱ ኣሎ\" ትብል ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ። ኲናትትግራይ፡ ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ድሕሪ ምውልዑ፡ ጸኒሑ ናብ ደቡብ ገጽ፡ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ምንባሩ ይዝከር። እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወለዐን፡ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ሞት፡ ጥምየትን ምግሃስ መሰላትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ምስዓቡ ይፍለጥ። ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ብሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ወገናትን ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ክሳብ ሎሚ ነቲ ኲናት ደው ከብሎ ኣይክኣለን። ኣብቲ ኲናት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉ ይንገር።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c6pq24jv9exo"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ደበና ኲናት የንጸላሉ ድዩ ዘሎ?","content":"ኣብ ዝሓለፈ ዓመትን መንፍቕን እቲ ብዂናት ክሕመስ ዝጸንሐ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ካብ ክልል ዓፋር ወጺእና ኣለና ምስ በሉ ብመጠኑ ዝተረጋግአ መሲሉ'ኳ እንተተራእየ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ግን እንደገና ውግእ ክውላዕ ከም ዝኽእል ዝእምት ነገራት ይረአ ኣሎ። ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ኤርትራን ብኸቢድ ብረት ዝተሰነየ መጠነ ንኡስ መጥቃዕቲ ከምዝነበረ ቢቢሲ ካብ ምንጭታቱ ኣረጋጊጹ ነይሩ። ብዛዕባ'ዚ፡ ዋላ'ኳ ብመንግስቲ ኤርትራ መረጋገጺ እንተዘይተረኽበ፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኢትዮጵያ ግን እቲ ውግእ ከም ዝተኻየደ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ እዚ ዞባ ምዕራብ ተረኺቡ ንወተሃደራዊ ቁመና እቲ ሰራዊት ዘርኢ ሰልፊ ተዓዚቡ ነይሩ። ትማሊ ረቡዕ'ውን ኣብ ከተማ ባህርዳር ክልል ኣምሓራ፡ ሓይልታት ጸጥታ፡ ኣባላትን ሓለፍትን ፋኖን፡ ስድራ ቤት ስውኣት ማሕበረሰብ ቢዝነስ ከምኡ'ውን መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ኣብ ዝተረኽቡሉ ብስም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስጋናን ኣፍልጦን ተዋሂቡዎም። ኣብቲ ኣጋጣሚ ብማዕርግ ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር፡ ኣተሓባባሪ ክላስተር ዶክተር ሰማ ጥሩነህ፡ ኢትዮጵያውያን ሃገሮም ኣድፊሮም ኣይፈልጡን እዮም፤ ሕጂ'ውን ኢትዮጵያ ንምፍራስ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዘለው ኣደብ ክገብሩ ኣርጊጽና ክንነግሮም ኢና፡\" ከም ዝበለ ተሓቢሩ። መራሒ ትግራይን ኣቦ መንበር ህወሓትን ዶ\/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፎ ህጹጽ ደብዳበ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ከበባ ብቕልጡፍ ክፈትሖ እንተዘይክኢሉ ኣድላዪ ዝበሃል ስጕምቲ ከምዝወስድ ገሊጹ ነይሩ። እቲ ስጕምቲ እንታይ ምዃኑ ግን ኣብቲ ደብዳበ ኣይተገልጸን። ኣብዚ ሰሙን እዚ ከኣ ላዕለዎት መራሕቲ ትግራይ ምስ ነበርቲ እቲ ክልል ኣብ ዝገብርዎ ዘለው ጽዑቕ ርክብ፡ ኣብ ሓደ ኣኼባ ዶ\/ር ደብረጽዮን፡ \"ንሕና ከምዚ ኢልና ክንቅጽል ኣይንኽእልን ኢና። ድሕሪ ሰሜን ሸዋ ምእንቲ ሰላም ኢልና ዕድል ሂብና ኢና። ቅድሚ ውግእን ድሕሪ ውግእን ንሰላም ብዙሕ ዕድል ሂብና ኢና። ይዅን እምበር ሕጂ ከምዚ ኢልና ክንቅጽል ኣይንኽእልን ኢና። ኵሉ ነገር ብፖለቲካ ጥራሕ ኣይፍታሕን እዩ፡\" ምባሉ ተሓቢሩ። ዶ\/ር ደብረጽዮን ኣብቲ መድረኽ'ቲ፡ ተዅሲ ደም ምባል ስምምዕ እዅል ሰብኣዊ ረድኤት ንኽኣቱ ተባሂሉ እዩ ዝግበር፣ ይዅን እምበር ከምቲ ትጽቢት ዝተገብሮ ብቝዕ ረድኤት ይኣቱ ከምዘየለ ብምጥቃስ፡ \"መሰልና ክነኽብር ረፈረንደም ከነካይድ ኣለና። ህዝቢ ትግራይ መሰል ርእሰ ውሳነኡ ባዕሉ ክውስን ኣለዎ፡\" ከምዝበለ እውን ተጠቒሱ ኣሎ። \"ህዝብና ይጠምን ይመውትን እዩ ዘሎ፣ ግዘ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ክንነብር ኣይንኽእልን ኢና። ንኵሉ ነገር ተጸሚምና ናብ ዝምልከቶም ኣካላት መልእኽቲ ልኢኽና ኣለና። ስለዚ ንሕና ወዲእና ኢና፡\" ኢሉ። ብዛዕባ እቲ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ሰብኣዊ ረድኤት ብዝምልከት፡ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ\/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣንቢሮምዎ ዘለው ዕፅዋ ንኽለዓልን ረድኤት ንኽኣቱ ክፈቕዱ ፀዊዑ ነይሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ተዅሲ ደው ካብ ዘብሉ 10 ሰሙናት'ኳ እንተገበሩ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ናብ ትግራይ ዝኣተወ ረድኤት 5 ሚእታዊት ጥራሕ ከም ዝዀነ ዶ\/ር ቴድሮስ ይገልጽ። ዶ\/ር ደብረጽዮን እውን ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተዅሲ ደው ኣቢለ ኣለኹ እናበለ እቲ ኣብ ትግራይ ዝኣወጆ ከበባ ግን ይቕጽሎ እዩ ዘሎ ክብል ይኸስስ። \"ኣጋጢምዎ ንዘሎ ፖለቲካዊ ፀገማት ንኽፈትሕ፡ ኣጽዋር ክእክብን ሰራዊት ንኽዕልምን ግዜ ብምዕዳግ ንወራር እዩ ዝቀራረብ ዘሎ፡\" ክብል ኣብቲ ህዝባዊ ኣኼባታት ተዛሪቡ። ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዶ\/ር ኣደም ካሴ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ \"ብማሕበረሰብ ዓለም ኣይተሰማዕናን\" ብዝብል ምኽንያት ክኸውን ይኽእል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዶባት ኤርትራ ብኸቢድ ብረት ዝተሰነየ ተዅሲ ከምዝኸፈቱ ይዝረብ ምህላው ገሊጹ። ኣብ ርእሲኡ'ውን፡ \"ካብዚ ንላዕሊ ካልእ ኣማራጺ የብልናን ብዝብል ካብ ተስፋ ምቝራጽ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡\" ዝበለ እቲ ተንታኒ፡ ኣብ ከባቢ ዳግማይ ኲናት ክኽሰት ከም ዝኽእል እቲ ስክፍታ ዝጸንሐ ምዃኑ፣ እቲ ጉዳይ ብሰላማዊ መገዲ እንተዘይተፈቲሑ ኸኣ እናገደደ ከምዝኸይድ ስግኣቱ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። \"ውግእ ዘይድለ'ኳ እንተዀነ ብጥሜት ዝመውት ሕብረተሰብ የለን፡\" ዝብል ኣደም ካሴ፣ \"ዋላ'ውን እንተዘይደለየ ናብ ውግእ ምእታው ዘይተርፍ ነገር እዩ፡\" ይብል። ኣደም ካሴ ናብ ትግራይ እዅል ረድኤት ዘይምእታዉ ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ ነቲ ኵናት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሑ እዅል ጻዕሪ ኣይተገብረን ኢሉ ይኣምን። ብኻልእ ወገን ኣብ መንጐ ክልቲኦም ዝህሉ ምክሳስ ነቲ ነገር የብእሶ ምህላው ይሕብር። ዶ\/ር ኣደም ሓይልታት ትግራይ ናብ ኤርትራ ውግእ ዝኸፍቱ እንተኾይኖም፡ \"እቲ ዝሰዓረ ነቲ ዝተሳዕረ ንምጥፋእ እዩ፡\" ድሕሪ ምባል ክልቲኦም ወገናት ዝጸንሖም ባእሲ ሕነ ንምፍድዳይ ኣስተዋጽኦ ከም ዝገብር ይዛረብ። እንተዀነ እዚ ናይ ምጥፍፋእ ምትህልላኽ ፖለቲካ ቀደም ኣይሰርሐን ሕጂ'ውን ኣይሰርሕን እዩ። \"ከምቲ ዝገበረኒ ክገብሮ፡\" ዝበሃል ዘረባ ሓቢርና ንኽንነብር ኣይሕግዝን እዩ። ብኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብወገን መንግስቲ ፈደራል፡ ከምኡ'ውን ብኣምሓራን ዓፋርን ክሕሰበሉ ከምዘለዎ ብምዝኽኻር፡ ሰላም ክውንዘፍ ዘለዎ ነገር ዘይምዃኑ ይገልጽ።ብምቕጻል እቲ ን17 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ተወሳኺ ማሕበራውን ቁጠባውን ፀገም ንከየኸትል ንዅሎም ኣካላት ዘሳትፍ ጻዕርታት ዕርቂ ክግበር ይመክር። \"ሓይልታት ትግራይ ኣማራጺ የብልናን ክንስዕር እዩ ዘሎና፡ ዝብል ሓሳብ እንተለዎም'ውን እቲ ዕድል ልዑል እዩ ዝብል ግምት የብለይን። እንተዀነ እቲ ወሪዱዎምን ኣጋጢዎምን ዘሎ ጸገም ከዛርቦም ይኽእል እዩ፡\" ብምባል፡ ሰብ ይመውትን ይሽገረን'ኳ እንተሎ ነቲ ነገራት ብጽሞናን ትዕግስትን ምርኣይ መድለየ ይብል። ስለዚ፡ ብወገን ዓፋር፡ ኣምሓራ፡ ፈደራልን ሓይልታት ኤርትራን ነቲ ዝተፀገመ ህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ዝኣትወሉ ኵነታት ክመቻቻው ከም ዝግባእ የዘኻኽር። ኣብዚ ውግእ'ዚ ሓይልታት ትግራይ ኰነ እቶም ካልኦት ሓይልታት ዕላማኦም እንታይ ክኸውን ይኽእል ተባሂሉ ዝተሓተተ ዶ\/ር ኣደም፡ ሓይልታት ትግራይ ንህዝቦም ኣጋጢምዎ ንዘሎ ጥሜትን ሕጽረት ሰብኣዊ ረድኤትን ንምሕዋይ፡ ነቲ ከበባ ክሰብርዎ ይኽእሉ 'ዶ ኣይክእሉን ብዘየገድስ፡ \"ጻዕሪ ምክያዶም ኣይተርፍን እዩ፡\" ክብል የብርህ። መንግስቲ ፈደራል እዅል ሰብኣዊ ረድኤት ብቕልጡፍ ንኽኣቱ ነቲ ነገራት ከቀላጥፎ ከምዝግባእ የዘኻኽር። ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልል ዓፋር ጠቕሊሎም እንተወጺኦም ከኣ፡ እቲ ረድኤት ንኽኣቱን ካልኣይ ዙር ኵናት ንኽተርፍን ዕድል ከም ዝህብ ገሊጹ። ኣብ ርእሲኡ ዝርርብ ሰላም ብግልጺ ንኸይካየድ እቲ \"ህወሓት ኣሸባሪ እዩ\" ዝብል ላቔባ፡ ነቲ ኵነታት ሓላሊኽዎ ስለዘሎ ብቕልጡፍ ክስረዝ ኣተሓሳሲቡ። ህወሓት ካብ ሊስታ ግብረ-ሽበራውያን እንተወጺኡ መገዲ ሰላም ከርሑን ሓደ ሓደ መሰረታዊ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ንኽርከብን ዕድል ከምዝህብ ሓቢሩ። ብተወሳኺ ብኽልቲኦም ወገናት ዝግበር ተጻባኢ ቋንቋን ዘረባን ክለዝብን፡ ኣድህቦም ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ክኸውንን ጸዊዑ። ዶ\/ር ኣደም ኣብ ትግራይ ሰላም ንምምጻእ ጸገማት ኮይኑ ዘሎ ክልተ ጉዳያት ምዃኖም የቐምጥ። ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ቍርቍስ ከምኡ'ውን ብደረጃ ዓለም ብፍላይ ከኣ ኲናት ዩክረይን ከምኡ'ውን ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክለዓል ምዃኑ ይገልጽ። እቲ ንውግእ ዝፈጠረ ጽልኢ ኣብ እዋን ኲናት ከም ዝተጋደደ ዝገለጸ ዶ\/ር ኣደም፡ ኣብ መንግስቲ ፈደራል ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ዘለዎም ተጽዕኖ፡ ኣብ ሓድሕዶም ዘሎ ዘይምትእምማን ኣተኵሮ ምስኣንን ከምዘሎ ይዛረብ። ብኻልእ ሸነኽ ኲናት ሩስያን ዩክረይንን ንዓለማዊ ኣድህቦ ምቕያሩን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተመዲቡ ዝነበረ ፍሉይ ልኡኽ ካብ መዝነቱ ምስሓቡ ንመስርሕ ሰላም ዓናቒፉዎ ይብል። ኢትዮጵያ እንደገና ናብ ውግእ እንተኣትያ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ቀውሲ ከኸትል ምዃኑ ዶ\/ር አደም ይዛረብ። ኣብ ርእሲኡ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ናይ ሱዳን ዘይምርግጋእ፡ ናይ ሶማልን ኬንያን ምርጫ ንኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ስለዝኸፋፍሎ፡ ነቲ ኵናት ብዝያዳ ከጋድዶ ይኽእል እዩ ክብል ሓሳቡ የጠቓልል።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61416578"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ብዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው 500 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም","content":"ብሰንኪ እቲ ኣብ ምዕራብ ክልል ኦሮምያ እናገደደ ዝመፅእ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ብውሑዱ 500 ሽሕ ሰባት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ተገሊፁ። ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቤት-ፅሕፈት መተሓባበሪ ሰብኣዊ ሓገዛት (ኦቻ) ከምዝገለፆ፡ ኣብቲ ክልል ብሰንኪ ዘሎ ስእነት ፀጥታ፡ ካብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፣ ዞባ ካማሺን ኣብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ብተደጋጋሚ ናይ ዝተመዛበሉ ቁፅሪ ሰባት ሓዊሱ፡ ኣስታት 500 ሽሕ ሰባት ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም ኣለዉ። ኣብ ምዕራብ ናይቲ ክልል ዘሎ ስእነት ፀጥታ፡ ኣብዚ ዓመት ተጋዲዱ ከምዝቐፀለ ዝገለፀ እዚ ፀብፃብ፡ ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል: ዞባ ካማሺ፡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ብተደጋጋሚ ከምዝተመዛበሉ ሓቢሩ። ትካላት ረድኤት ኣብዚ ኣፀጋሚ ኩነታት ሓገዝ ንምግባር ፃዕርታቶም እኳ እንተቐፀሉ፡ እዚ ፀገም እናዛየደ ይመፅእ ከምዘሎ ገሊፁ። ቅድሚ ሕዚ፡ ክልተ ሰራሕተኛታት ረድኤት ከምዝተተኮሶም ዝሓበረ ኦቻ፡ ሰራሕተኛታት ካብ ትንኮያ፣ ጭውያን ዝተፈላለዩ መጥቃዕትታን ይበፅሖም ኢሉ። ምክትል ኮሚሽን ምክልኻል ስግኣት ሓደጋ ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ገረመው ኦሊቃ፡ ካብ ምዕራብ ወለጋ 11 ሽሕ ሰባት፣ ካብ ምብራቕ ወለጋ ልዕሊ 16 ሽሕ ሰባት ከምዝተመዛበሉ ገሊፁ። ፀገም ፀጥታ ኣብ ዘለወን ከባብታት፡ ብሓለዋ ኣካላት ፀጥታ እናተደገፈ ረድኤት ንምብፃሕ ይፍትን ከምዘሎ ድማ ተዛሪቡ። እቲ ሓላፊ፡ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላት ረድኤትን ፀገም ፀጥታ ናብ ዘለዎም ከባብታት ከይዶም ንምስራሕ ከምዝፅገሙ ብምግላጽ፡ ብወገን መንግስቲ ኸኣ ብፍሉይ ኣደታትን ህፃናትን ንሓደጋ ከይቃልዑ ይስራሕ ኣሎ ኢሉ። ፀብፃብ ኦቻ ከምዝሕብሮ፡ ንክልል ኦሮምያን ቤኒሻንጉል ጉምዝን ኣብ ዘዋስኑ ከባብታት ዝለዓሉ ተደጋጋሚ ጎንፅታት ንስራሕቲ ረድኤት ብድሆ ከምዝኾነን፡ ብፍላይ ኣብ ዞባታት ቄለም ወለጋ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት መንግስትን ኦነግን ዝካየድ ውግእ ንስራሕቲ ረድኤት ኣተዓናቒፍዎ ይርከብ። ሰብኣዊ ሓገዛት፡ ብሰንኪ መሕለፊ መገዲ ዘይምህላው፣ ሕፅረት እኹል በጀትን ካልኦት ተዛመድቲ ጉዳያትን ከምዝተዓናቐፍ ፀብፃብ ኦቻ ሓቢሩ። ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ዘጋጠሞም ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህፃናት ብ 22 ሚእታዊት ዝወሰኸ እንትኾን፡ ኣብ ነፍሰፆር ደቂኣንስትዮን ኣደን ድማ ብ 42 ሚእታዊ ከምዝዛየደ ኦቻ ገሊፁ። ብሰንኪ ፀገም ፀጥታ፡ ሃነፅቲ ምግብታት ከብፅሕ ከምዘይኽኣለ ድማ እቲ ትካል ኣፍሊጡ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ከባብታት ገጠራት ረድኤት ንምብፃሕ በዳሂ ከምዝኾነ ዘመልከተ እቲ ፀብፃብ፡ ኣብ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋን ዞባ ካማሺን ብኣሽሓት ንዝቑፀሩ ሰባት ረድኤት ምቕራብ ኣይተኽኣለን ኢሉ። ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ብዝተፈፀመ ዕንወትን ዝምታን 426 ትካላት ጥዕና ኣገልግሎት ከምዘይህባ ድማ ሓቢሩ። ኣብ ምብራቕ ወለጋ 144 ኣብያተ ትምህርቲ ዝተዓፀዉ እንትኾኑ፡ 62 ሽሕ ተምሃሮ ትምህቲ ኣቋሪፆም፤ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ከኣ 184 ኣብያተ ትምህርቲ ተዓፅዮም፡ 89 ሽሕ ተምሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ኣይርከቡን። ፀብፃብ ኦቻ፡ \"መንገዲ ስለዝዕፀው ነበርቲ ናብ ዕዳታ ክኸዱ ኣይኽእሉን። ኣብያተ ፅህፈት መንግስቲ ኣታዊታት ንምርካብ ይፅገሙ\" ኢሉ። ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ገበናት ኣዝዮም ይውስኹ ከምዘለዉ ድማ እቲ ፀብፃብ ጠቒሱ። ካብ ዝሓለፉ ሓያሎ ዓመታት ጀሚሩ: ምዕራብ ኦሮሚያ ሰባት ብግፍዒ ዝቕተልሉ፣ ዝመዛበልሉን ንብረት ዝዓንወሉን ከባቢ ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ። ኣብ 2013 ኣቆፃፅራ ግእዝ ወርሒ ሰነ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ፡ ብተኸታታሊ መዓልቲ ብዝተፈፀሙ መጥቃዕትታት፡ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰባት ብዕጡቓት ከምዝተቐተሉ ይግለፅ። መንግስቲ እታ ሃገር ኣብቲ ከባቢ ንዝፍፀም ቅትለትንን ዕንወትን ንግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዝኸስስ እኳ እንተኾነ፡ ኦነግ ግና ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ሰባት ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ከምዘይፍፅምን መንግስቲ ሰላማውያን ሰባት ይቐትል ከምዘሎን እዩ ዝገልፅ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61382472"} {"headline":"ኣብ ትግራይ ምብጻሕ ዘካየደ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ እንታይ ኢሉ?","content":"ኮሚሽነር ምሕደራ ቅልውላውን ሰብኣዊ ረድኤትን ኣውሮጳ ጃነዝ ለናርቺክ ድሕሪ እቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ዘተ፡ ትማሊ ናብ ትግራይ ከተማ መቐለ ኣቕኒዑ ምስ ፕረዚደንት ትግራይ ትግራይ ዶ\/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ተዛራሪቡ፡፡ እቲ ኮሚሽነር ብሰኑይ ምስ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ደመቀ መኮነን ከም ዝተራኸበ ብምሕባር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንጸገም ንዝቓልዑ ዜጋታት ንምሕጋዝ ሕብረት ኣውሮጳ ድልው ምዃኑ ብትዊተር ሓቢሩ፡፡ ‘‘ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን ተደራራብቲ ጸገማት ኣጋጢሞምዋ ኣለው፤ በዚ ምኽንያት 30 ሚልዮን ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ይደልዩ’’ ኢሉ። ብተወሳኺ ዋላ'ኳ ትኹረት ዓለም ናብቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዝፈጸመቶ ወራር እንተዀነ፡ ካልኦት ቅልውላዋት ከም ዘይተዘንግዑ ብምሕባር ‘‘ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ናብቶም ዝደልዩዎ ክበጽሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከቀላጥፍ ይምሕጸን’’ ኢሉ፡፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ ርክብ ሕብረት ኣውሮጳን መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓርፊፉ እዩ ጸኒሑ፡፡ እቲ ሕብረት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንበሮ ኩለ መዳያዊ ዕጽዋ ከልዕልን ናብ ትግራይ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ ከፍቅድን ክጽውዕ ጸኒሑ። ሕብረት ኣውሮጳ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዘልዓለ ኰይኑ፡ ዋላ'ኳ ዝርኣዩ ምምሕያሻት እንተሃለው፡ ሕጂ'ውን እቲ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ርክብ ናብ ንቡር ንምምላስ ገና ከም ዝዀነ ኣፍሊጡ፡፡ ሓላፊ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል፡ ምምሕያሽ ርክባት  ‘‘ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ፣ ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ኣብ ምምላስ፣ ኣብ ልዕሊ ነዳድን ድኹዕን ዝተገበረ ክልከላ ኣብ ምልዓል ዝምርኮስ እዩ፤ ህይወት ሚልዮናት ካብ ሞት ንምድሓን እቲ ቀንዲ ጉዳይ እዚ እዩ’’ ኢሉ፡፡ ኮሚሽነር ለናርቺክ ኲናት ትግራይ ካብ ዝውላዕ ትማሊ ንፈለማ እዋን ኣብ ከተማ መቐለ ምብጻሕ ከም ዘካየደን ምስ መራሒ ትግራይ ከም ዝተዘራረበን ሓቢሩ። ወሃቢ ቃል ኣቶ ጌታቸው ረዳ እውን ንርክቦም ዝምልከት መግልጺ ንመራኸቢ ብዙሃን እቲ ክልል ሂቡ፡፡ ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ጽቡቕ ምምሕያሽ ከም ዘሎ ብምጥቃስ ድማ ኣብቲ ክልል ዓሲሉ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍታሕ መጠን ሰብኣዊ ሓገዝ ክውስኽ ከም ዘለዎን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክምለሱ ከም ዝግባእን ተዛሪቡ፡፡ ‘‘ ነዳዲ ኣዝዩ ተደላዪ እዩ፤ ነቲ ህዝቢ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክምለሰሉ ይግባእ፡፡ ተጋሩ እኹል ተሳቕዮም እዮም’’ ክብል ኣብ ትዊተር ገጹ ጽሒፉ፡፡ ኮሚሽነር ምሕደራ ቅልውላውን ሰብኣዊ ረድኤትን ኣውሮጳ ጃነዝ ለናርጂች፡ ኣብ ትግራይ ‘‘ኣገልግሎታት ባንኪ፣ ኤሌክትሪክን ቴሌኮምኒኬሽንን ተቋሪጾም ክጸንሑ ምግባር ምኽንያቱ ኣይተርኣየንን’’ ምባሉ ኤፒ ዝሓበረ ኰይኑ፡ ናብቶም 5.2 ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ፈታኒ ከም ዝገበሮ ምግላጹ ሓቢሩ፡፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ትግራይ ቀረብ ነዳዲ ንወተሃደራዊ ዕላማ ከውዕልዎ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስግኣት እንተሃልይዎ ድማ ‘‘መቆጻጸሪ ሜላ’’ ክጥቀም ይኽእል እዩ ምባሉ እውን እቲ ማዕን ዜና ጸብጺቡ፡፡ ጉጅለ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ብሕታዊ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ምብጻሕ ከም ዘካየደ ተገሊጹ እዩ፡፡ ድሕሪ መንግስታት ኢትዮጵያን ትግራይ ዝወሰድዎ ንሰብኣዊ ሓገዝ ጊዝያዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝ ይውሰኽ ከም ዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ፡፡ ብተመሳሳሊ ክልቲኦም ወገናት ኣፈላላዮም ብሰላማዊ ዘተ ንምፍታሕ ድሉዋት ምዃኖም ምግላጾም ስዒቡ ድማ፡ እቲ ንሞት ኣሻሓትን ምፍንቓል ሚዮናትን ምኽንያት ዝኾነ ኲናት ከብቅዕ እዩ ዝብል ተስፋ ኣሕዲሩ ኣሎ፡፡","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/czql37l6xd6o"} {"headline":"ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ስለምንታይ ዳግማይ ተወሊዑ?","content":"እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ መንጐ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ዝተላዕለ ኲናት፡ ብሰፊሑ ዳግም ክውላዕ እንከሎ፡ ናብ ሰላማዊ ልዝብ ዝወስድ መገዲ ገና ኣይተፈልጠን። ክልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት፡ እቲ ኲናት 24 ነሓሰ 2022 ንክልላት ትግራይን ኣምሓራን ኣብ እተዋስን ከተማ ቈቦ [ዶባት ደቡብ ትግራይ] ከም ዝተጀመረ ይሰማምዑ። መጀመርታ ጥይት መን ተኲሱ ኣብ ዝብል ግን፡ ንሓድሕዶም ይካሰሱ። ዲፕሎማሰኛታት ሃገራት ምዕራብ ከም ዝብሉዎ ግን፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን መላፍንቱ ዝዀኑ ፋኖ ተባሂሎም ዝጽውዑ ሚሊሻ ኣምሓራን ቅድሚ ሰሙናት ሓይልታቶም ናብቲ ከባቢ ኣጸጊዖም ጸኒሖም። ህወሓት ብወገኑ፡ ኣድህቦኡ ኣብ ምስልጣንን ምዕጣቕን ሓይልታቱ ገይሩ ጸኒሑ። መናእሰይ ብኣስገዳድ ናብ ገድሊ ኣእትዩ ንዝብል ክሲ ግን ይነጽጐ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝነበረ ውግእ፡ ሓይልታት ትግራይ ብርክት ዝበለ ኣጽዋር ካብ ሰራዊት ፌደራል ማሪዀም’ዮም። ካብ ወጻኢ ሓደሽቲ ዕጥቂ ኣእትዮም ኣለዉ ዝብሉ ሕሜታት'ውን ኣሎ። ካብ ቀረባ እዋናት፡ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ሓይልታት ወጥሪ ዓሲሉ ጸኒሑ እዩ። ቅድሚ ሰሙናት ክኣ፡ ክልቲኦም ወገናት ዝርርብ ክጅምሩ’ዮም ዝብሉ ተስፋታት ነይሮም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ብምክትሉ ደመቀ መኮንን ዝምራሕ ኮሚቴ ሰላም ኣቝሙ ስርሑ ኣብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ነይሩ። ቅድሚኡ’ውን፡ ኣቢይ ምስ ህወሓት ዝዘራረቡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰዲዱ ከም ዝነበረ ይግለጽ። ወከልቲ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ኣብ ሲሸልስን ጅቡቲን ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን፡ ሓይልታት ኢትዮጵያ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንበርዎ ዕጽዋ ከልዕሉ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእን ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ኣብ ኬንያ፡ ብመንጐኝነት ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ዝርርብ ክጅምሩን ዝተሰማምዑ ይመስሉ። ኣብዚ እቲ ቀዳማይ ኣጀንዳ፡ ቀዋሚ ምቍራጽ ተጻብኦ ከም ዝዀነ ተዘራሪቦም። ኣሜሪካ ምስ ኬንያ ብምትሕብባር ብድሕሪ እዞም ዝርርባት ክትሰርሕ ጸኒሓ እያ። ብ2 ነሓሰ ኣብ ትግራይ ምብጻሕ ዝገበሩ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ማይክ ሃመርን ልኡኻት ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን፡ ኣብ ትግራይ “ዝተቛረጹ ኣገልግሎታት ቴሌኮም፡ ኤሌክትሪክ፡ ባንክን ካልእን ብቕልጡፍ ክምለሱ” ኣለዎም ብምባል፡ ነዚ ንምግባር ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ከም ዝተሰማምዑ ሓቢሮም ነይሮም። ይዅን’ምበር፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሴጎን ኦባሳንጆ ብዛዕባ እቲ ዕጽዋ ዝበሎ ነገር የለን። ኦባሳንጆ ነቶም ልኡኻት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ንሱ እቲ እንኮ ኣደራዳሪ ከም ዝዀነ ብምግላጽ ናብቲ ልዝብ መላፍንቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዀነት ኤርትራ ክትዕደም ሓሳብ ብምቕራብ ኣደኒቝዎም። መራሕቲ ህወሓት፡ ማእከላይ መንግስቲ ዝኣተዎ ቃል ኣየተግበረን ኢሎም ይኸሱ። መንግስቲ ግን ክሳብ ሕጂ ዝተኻየደ ዝርርብ የለን እዩ ዝብል። ዓለምለኻዊ ልኡኻት'ውን እንተዀነ እዞም ዝርርባት ስለምንታይ ከምዘይቀጸሉ ዝሃብዎ ቃል የለን። ካብ ወርሒ ሓምለ ክሳብ ነሓሰ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ማእከላይ መንግስቲ ረድኤት መግቢ፡ መድሃኒትን ድኹዕን ዝጽዓና መካይን ክኣትዋ እኳ እንተፍቀደ ኣገደስቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ናብ ቦትኦም ኣይመለሰን። በቲ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ “ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦ” ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብዝተወሰነ ደረጃ ኣብ ትግራይ ስርሓውቱ ከካይድ'ኳ እንተኽኣለ፡ ህወሓት ግን፡ ነቲ ብማሕበረሰብ ዓለም ዝቐርብ ናእዳ [ነቲ ምቍራጽ ተጻብኦ] ብዙሕ ዕግበት ኣይጸንሖን። ብኣንጻሩ፡ ኣዲስ ኣበባ እቲ ዕጽዋ ብምንዋሕ ጥምየት ከም ኣጽዋር ኲናት ትጥቀም ኣላ፤ ዝኣቱ ረድኤት'ውን እኹል ኣይኰነን ብምባል ተቓውሞኡ ይገልጽ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ “ንዓሰርተታት ኣሽሓት” ሰባት ረዲኤት ከብጽሕ ክኢለ እየ ይብል። እዚ መጀመሪ እዩ እምበር፡ ኣብቲ ክልል 4.8 ሚልዮን መግቢ ዝደልዩ ሰባት ኣለው። ኣብ ድሮ ምጅማር እቲ ኲናት ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ንማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ዝጽሓፎ ደብዳበ፡ “ሞት ናብ እንገጥመሉ ደረጃ ብፍጥነት ንጽጋዕ ኣለና። ምርጫና ብጥምየት ምጥፋእ’ዶ ንመሰልናን ክብርናን እናተቓለስና ንሙት ዝብል ጥራሕ’ዩ” ኢሉ ነይሩ። ተጋሩ ንጃምላዊ ጥምየት ተቓሊዖም’ዮም። ክሳብ ሕጂ ክንደይ ዝኣኽሉ ከም ዝሞቱ ኣይፍለጥን። ጕጅለ ምሁራን ቤልጅም ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ግን፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ኣስታት 500 ሽሕ ተጋሩ ብጥምየትን ተዛመድቲ ምኽንያታትን ከም ዝሞቱ ይሕብር። ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ፡ ንርእሰ ከተማ እታ ክልልን ካልኦት ዝበዝሑ ከባቢታት ትግራይን ካብ ዝቈጻጸርዎ ንደሓር፡ እንትርፎ ኤኣርቲኢ ዝተባህለ ጕጅለ ማዕከን ዜና ፈረንሳ ናብቲ ክልል ዝበጽሐ ዓለምለኻዊ ሚዲያ የለን። እቶም ውሑዳት ናብቲ ክልል ክኣትው ዝተፈቕደሎም ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ህጻናት ዘጋጥም ዘሎ ሞት ዝምልከት መረዳእታ’ውን ክእክቡ ኣይክኣሉን። ወሃቢ ቃል ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ “ጥምየት ነይሩ ድዩ ኣይነበረን ዝብል ኣይንፈልጥን” ኢሉ እዩ። ኣብ ሓጺር ግዜ፡ እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ክዓሙቕ’ዩ። እቶም ክንቀሳቐሱ ዝጸንሑ ኣገልግሎታት ሰብኣዊ ረድኤት ሕጂ ስርሖም ደው ኣቢሎም ኣለው። ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ክኣ እቲ ዘሎ ውሑድ ምህርቲ ኣይእከብን፤ እቲ ግጭት ክኣ ተወሳኺ ቅልውላው ክፈጥር እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ መቐለ ደብዳብ ነፈርቲ ከም ዝፈጸመ ገሊጹ፤ እዚ ንመውዓሊ ህጻናት ብምህራሙ ሰለስተ ህጻናት ዝርከብዎም ሸውዓተ ሰባት ከምዝቐተለ ሰብ ሞያ ጥዕና ገሊጾም። መንግስቲ፡ ንወተሃደራዊ ቦታታት ዒላማ ከምዝገበረ ብምግላጽ ነዚ ይነጽጐ። ሰሉስ ምሸት ክኣ፡ ካልኣይ ደብዳብ ነፈርቲ ተኻይዱ ኣሎ። ህወሓት፡ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት 12 ገንኢ ነዳዲ “ብምስራቑ” ካብ ላዕለዎት ሰብ መዚ ሰብኣዊ ትካላት ሓያሎ ነቐፌታ ወሪዱዎ። ህወሓት ግን፡ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ንፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣለቂሕዎ ዝነበረ ነዳዲ መሊሱ ከም ዝወሰደ ብምግላጽ፡ እቲ ነቲ ክሲ ዝቐረበሉ መገድን ግዜን ነቶም ዝስርሑ ዝነበሩ ምንቅስቓሳት ምብጻሕ ረድኤት ዘተዓናቕፉ’ዮም ይብል። ብኻልእ ወገን፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሓይልታት ትግራይ ኣጽዋር ጽዒና ካብ ሱዳን ትኣቱ ዝነበረት ነፋሪት ወቒዐ ኣውዲቐ ይብል። ህወሓት ግን ነዚ ይነጽጐ። ኣብ ኤርትራ ክኣ፡ ኣብ ሸነኽ ዶባት ትግራይ ምንቅስቓሳት ገዚፍ ሰራዊት ክልቲአን ሃገራት ኣሎ ይብሃል። መንግስቲ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ ቃል የለን። ትማሊ ረቡዕ ብኣንፈት ምዕራብ ትግራይ ውግእ ከምዝተጀመረ ይግለጽ ኣሎ። ኣብ ቆቦ ዝነበረ ውግእ ከቢድ ከም ዝዀነን ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ 20 ክፍላተ ሰራዊት ወሳኒ ዓወት ከምዘመዝገቡን ብርክት ዝበለ ኣጽዋር ከም ዝሓዙን ይገልጹ። እዚ ብዘይሻራዊ ኣካል ክረጋገጽ ኣይክኣለን። ዝገጠመኒ ስዕረት የለን ዝብል ማእከላይ መንግስቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዘቕርብኦ ጸብጻባት “ንስለ ሃገራዊ ረብሓ ጥንቃቐ ክገብራ” መምርሒ ሂቡ። ሰራዊት ፌደራል፡ ካብ ቆቦ ከም ዝወጽአ እዩ ዝገልጽ፤ ካብ ከተማ ወልዲያ ዝወጽኡ ጸብጻባት ክኣ፡ እቲ ሰራዊት ከም ዘይተራእየ ይሕብሩ። ክሳብ ሕጂ፡ ህወሓት ከምቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝገበሮ ሓይልታቱ ንኣንፈት ደቡብ ኣየግዓዘን፤ ወልዲያ ተቘጻጺሮምዋ ዝብሉ ጸብጻባት ክኣ ልክዕ ከም ዘይኰኑ ወሃቢ ቃል እቲ ሰልፊ ተዛሪቡ። ህወሓት ቅልጡፍ ዝርርብ ክጅመር ኣለዎ ይብል ኣሎ። ኣንጻር መንግስቲ ፌደራል ኣብ ዝግበር ውግእ ንምትሕብባር ምስ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ልፍንቲ'ኳ እንተሃለዎ፡ ሃገር ከመሓድር ዝኽእል ልፍንቲ ግን የብሉን። መብዛሕትኦም ተጋሩ ክኣ፡ ንዓዶም ጥራይ’ዮም ክዋግኡ ዝደልዩ። ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ፡ ንኽልቲኦም ወገናት ከዘራርብ ሓላፍነት ካብ ዝወሃቦ ሓደ ዓመት'ኳ እንተመልኦ፡ ገለ ዲፕሎማሰኛታት ኣፍሪቃን ኣሜሪካን፡ ዋላ’ውን ድጋፍ መንግስቲ ኢትዮጵያ እንተሃለዎ ዝጭበጥ ለውጢ ኣየምጽአን ይብሉ። እቲ ኣሜሪካን-ኬንያን ዝመርሓኦ ተበግሶ፡ ኣብ መፋርቕ ነሓሰ ምኽትል ፕረዝደንት ዊልያም ሩቶ ተመራጺ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኰይኑ ኣብ መረጻ ከም ዝተዓወተ ካብ ዝግለጽ ንደሓር፡ ምናልባት ሩቶ፡ ንኡሁሩ ኬንያታ ነቲ ልዝብ ሰላም ክመርሖ ክመዞ ከም ዝኽእል ይግመት። ኣሜሪካውያን መሐለውታ ትልሚ ዝነበሮም ኣይመስሉን። ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ እቶም ዝርርባት “ብዘይቅድመ ኵነት” ዳግም ክጅምሩ ጸዊዑ። ግን ክኣ ክልቲኦም ወገናት ነዚ ጻውዒት ዘድህቡሉ ኣይመስሉን። ኣቢይ፡ ኣብ ዓውደ ውግእ ተሳዒሩ ንዝርርብ ዝቐረበ ድኹም መሲሉ ክርአ ኣይደልን። ስለ ዝዀነ ድማ፡ ዳግም ህወሓት “ኣሸባሪ” ኢሉ ምጽዋዕ ጀሚሩ ኣሎ። ህወሓት፡ እቲ ዕጽዋ ክልዓል እዩ ዝደሊ። እዚ ገበን ኲናት’ዩ ብምባል ቅድመ ኵነት እቶም ልዝባት ገይሮም የቕርቡዎ። እቲ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ዝርአ ዘሎ ሰብኣዊ ስቓይን ሞትን ግን፡ ንኢትዮጵያውያንን ማሕበረሰብ ዓለምን ሓደ ነገር ክርድኡ ዝገበረ ይመስል፤ ኲናት ትግራይ ወተሃደራዊ ፍታሕ ኣይርከቦን። ኣሌክስ ደዋል፡ ዋና ዳይሬክተር ፋውንዴሽን ሰላም ዓለም","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cgl0r8lpj97o"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ብኸመይ ይዕደል ኣሎ?","content":"ሎሚ ዓርቢ 19 ነሓሰ፡ ንቝጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊን ሰብኣዊን ጸገማት ንምፍታሕ ዘዘኻኽር ኣህጕራዊ መዓልቲ ሰብኣውነት ብዓለም ደረጃ ይበዓል ኣሎ። እዚ ከምዚ ዓይነት ምትሕብባር ከኣ ከም ሰብኣዊ ቅልውላው ትግራይ ዝኣመሰሉ ጸገማት ንኽፍታሕ ዘተባብዕን ዝጠልብን እዩ። ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ብዝተወልዐ ኲናት፡ ኣሽሓት ሰባት ሞይቶምን ቈሲሎምን ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ’ታ ክልል ካብ ቤቶም ተመዛቢሎም፤ ልዕሊ 6.3 ሚልዮን ከኣ ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኤት ኰይኖም ኣለው። ይዅን እምበር ኣብ መፋርቕ መጋቢት፡ መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ህወሓትን ብ 15 መጋቢት 2014 [ግእዝ] ተጻብኦ ምስ ኣቋረጹ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ከኣቱ ጀሚሩ። ብድሕሪኡ ግን ከመይ ይቕጽል ኣሎ? እቶም ተጸበይትን ተመዛበልትን ክንድቲ ዘድልዮም ረድኤት ይረኽቡ’ዶ ኣለው? ንዝብሉ ሕቶታት ንምምላስ ቢቢሲ ትግርኛ ሰባት ኣዘራሪቡ ኣሎ። እዚ ጸብጻብ ኣብ መቐለ ካብ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ጥራይ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘጠቓልል እዩ። ወሃብቲ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ እቲ ረድኤት ብግቡእ’ዶ ናብ ጽጕማት ይበጽሕ ኣሎ ኣይበጽሕን፤ ተወሳኺ ረድኤት ዘድሊ እንተዀይኑ ንምርግጋጽ ምክትታልን ገምጋምን ይገብሩ እዮም። መንግስቲ ትግራይ ይዅን መንግስቲ ፌደራልን፡ ከምኡ'ውን እቶም ረድኤት ዘብጽሑ ዘለዉ ዘይመንግስታውያን ትካላትን እውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ትግራይ ዝከፋፈል ዘሎ ረድኤት እዋናዊ ኽትትልን ገምጋምን ክገብሩ ከምዝኽእሉ ይግመት። ይዅን እምበር ክሳብ ሕጂ ኽንደይ ዝኣክል ረድኤት ከምዝተኸፋፈለ፡ ኣብ መነባብሮ ተጸበይቲ ዘምጽኦ ለውጥን ምምሕያሽን እንተሃልዩን ክንደይ ዝኣክል ተወሳኺ ረድኤት ከምዘድሊን፡ ወግዓዊን ንጹርን ሓበሬታ ምርካብ ኣጸጋሚ እዩ። ውድብ ምግቢ ዓለም ብወገኑ፡ ኣብ መዓልቲ 100 ረድኤት ዝጸዓና መኻይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ከምዘለወን ገሊጹ ነይሩ። እንተዀነ ምቍራጽ ተጻብኦ ምስተገበረ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣብ 23 መጋቢት 2014 እዩ ንፈለማ ግዜ 13 ረድኤት ዝጸዓና መካይን ዝኣተዋ። ብድሕሪኡ'ውን እንተዀነ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ረድኤት ከምቲ ዝተባህለ ብስሩዕ ኣይቀጸለን። ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ተቛሪጹ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ኣብ 6 ሚያዝያ 2014 ካልኣይ ዙር ረድኤት ዝጸዓና 47 መኻይን ንመቐለ ኣትየን። ብድሕርዚ፡ ረድኤት ዝጸዓና መኻይን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ጸኒሐን እየን። እንተዀነ እቲ ዝኣቱ ረድኤት እዅል ከምዘይኰነ ቤት ጽሕፈት ውድብ ምግቢ ዓለም ናብ ቢቢሲ ኣብ ዝለኣኾ ኢመይል ገሊጹ ነይሩ። ኣብ ግንቦት ሓላፊት ዓለምለኻዊ ትካል ልምዓት ኣሜሪካ (USAID) ሳማንታ ፓወር ብወገና፡ ኣብ መንጐ መንግስቲ ፈደራልን መራሕቲ ትግራይን ምቁራጽ ተጻብኦ ካብ ዝግበር ኣትሒዙ 194 ረድኤት ዝጸዓና መኻይን ናብ ትግራይ ከምዝኣተዋ እዚ ግን እዅል ከምዘይኰነን ኣብ ሰሙን ልዕሊ 500 መኻይን ክኣትዋ ከምዝግባእን ገሊጻ ነይራ። ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሓብቲ ተፈጥሮን ትግራይ ዶክተር ኣትንኩት መዝገቦ፡ ምስ ጋዜጣ ወያነ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ምግቢ ዝሞቱ ሰባት ቍጽሮም እናወሰኸ ይመጽእ ከምዘሎ ይገልጽ። ዶክተር ኣትንኩት፡ ኣብ ርእሲ'ቲ ሕጽረት ነዳዲን ሕጽረት ረድኤት ሜላታት ርክብ እውን ብምቍራጾም እኹል ሓበሬታ ንምርካም ኣጸጋሚ እዩ። ስለዝዀነ፡ \"እቲ ሞት’ውን ብዕሊ ከይንፈልጥ ገይሩና እዩ። ክንደይ ሰብ ይመውት ከም ዘሎ፡ ክንደይ ሰብ ከም ይሓምም ከም ዘሎ'ኳ ብዕሊ ኣይፍለጥን፡” ይብል። ተወካሊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ኣሜሪካ ኣቶ ዮሃንስ ኣብርሃ፡ እቲ ትጽቢት፡ መዓልታዊ ካብ 100 ክሳብ 110  ረድኤት ዝሓዛ መካይን ንኽኣትዋ ምንባሩ ግን እተን ዝኣትዋ ካብ 50 ክሳብ 60 መካይን ጥራይ ምዃነን፡ እቲ ረድኤት ዝጽበ ህዝቢ ግን እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎን ንቢቢሲ ሓቢሩ። “ዳርጋ መብዛሕትኡ ህዝብና ተጸባዪ ረዲኤት ኰይኑ ኣሎ። ስለዚ ካብቲ ዝግባኦ ኣዝዩ ትሑት ዝዀነ ሓገዝ እዩ ዝኣቱ ዘሎ።  ኣብ ርእሲኡ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ እቲ ዝኣተወ ረድኤት ካብ መቐለ ናብ ካልእ ከባቢ ክዝርጋሕ ኣጸጊሙ ኣሎ” ክብል ሓቢሩ። ፈጺሞም ረድኤት ዘይረኸቡ ተጸበይቲ ቝጽሮም ሒደት ከምዘይኮነ ቢቢሲ ዘዘራረቦም መሰኻኽር ይገልጹ። *ስም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተጸበይቲ ንድሕነቶም ክበሃል ተቐይሩ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ሻምናይ ርእሳ ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከብ ማእከል ተመዛበልቲ እትነብር ካብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ፡ ጣብያ ኣዳባይ ዝተመዛበለት ወይዘሮ ሃይማኖት፡ ኣብ ዕጽዋን ክባን ብዙሕ ከምዝተሸገሩ፡ ቅድሚ ወርሒ ግን ረድኤት ከምዝረኸቡ ተዛሪባ። “ንነፍሲ ወከፍ ቈልዓ፡ 15 ኪሎ ስርናይ፡ ፍርቂ ኪሎ ዘይቲ፡ ኪሎን ፈረቓን ክክዕ ተዋሂቡና።” ክትብል ነቲ ዝተዓደሎም ረድኤት ትዝርዝር። ካብ ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢሉ ምስ ሽዱሽተ ኣባላት ስድራኡ ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከብ ማእከል ተመዛበልቲ ዝነብር ዘሎ ኣይተ ኣባዲ ብወገኑ፡ “ዕለት ዓሰርተ ሽዱሽተ ሰነ [ረድኤት] ተዋሂብና ማለት እዩ” ክብል ተጻብኦ ደው ካብ ዝብል ጀሚሩ ንኣዋርሕ ረድኤት ከምዘይረኸቡ ይገልጽ። ብምቕጻል ካብቲ ዝወሃቦም 15 ኪሎ ስርናይ “ናይ ፍሉይ ሓይሊ እናውጻእና ኣብ ኢድና ዝበጽሓ 14 ኪሎ እየን” ብምባል ካብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓደ  ኪሎ ስርናይ ንፍሉይ ሓይሊ ተባሂሉ ከምዝቍረጽ ይዛረብ። ይዅን እምበር እቲ ዝቝረጽ ስርናይ ናብቲ ዝተባህሎ “ይበጽሕ’ዶ ኣይበጽሕን” ከም ዝጠራጠር ብምሕባር ብልሽውና ክህሉ ከምዝኽል ይገልጽ። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኵሎም ተመዛበልቲ እቲ ዝወሃቦም ረድኤት ፈጺሙ ከምዘይኣኽሎም ይዛረቡ። “[እቲ ረድኤት] ወርሓዊ እንተዝበጽሓና ደሓን ምዀነ ግን ንሓደጋ ምስተሳጣሕና፤ ኣርባዕተ ወርሒን ገለን ምስ ኣሕለፍና [እዩ ዝመጽኣና]...ሕሰቦ’ሞ?” ይብል ኣይተ ኣባዲ። “ህጻን ሓዝ፡ ዓብዪ ሰብ ሓዝ፡ ሽማግለ ሓዝ ንሳ እያ ዘላ” ኢላ እቲ ረድኤት እዅል ከምዘይኰነ ዝሓበረት፡ ልዕሊ ሸሞንተ ኣባላት ስድራ ሒዛ ኣብ መቐለ ትነብር ዘላ ተመዛባሊት ፍረሂወት እያ። “ካብታ 15 ኪሎ ዝተወሃብናያ፡ ካብኣ ዕንጨይታ፡ ካብኣ ፍሓማ፡ ካብኣ ካልእ ኣስቤዛ፡ ቈልዓ ተሓሚሙካ ካብኣ፡ ንባዕልኻ ተሓሚምካ ካብኣ። ሕዚ ሓሚምካ ሕክምና የለን፤ ጨና ኣዳም እዩ። ጨና ኣዳም፡ ጻዕዳ ሽጉርቲ ሳልሳይ [ፈጣሪ] እናለመንና ኢና ንነብር ዘለና እምበር ብሱሩ ብዘን እርዳታ እዚአን [ምንባር] ከቢድ ሽግር እዩ።” ብምባል ንኽብደት'ቲ ጸገም ትገልጾ። ወይዘሮ ሃይማኖት እውን ካብዚ ዝተፈልየ ሓሳብ የብላን። በታ ትወሃቦም መጠን ረድኤት ክመሓደሩ ከምዝጽዕሩ እንተዀነ እዅል ከምዘይኮነ ትገልጽ። “ኣብ ጥሜት ኢና ጸኒሕና፤ ኣብ ሽግር ኢና ጸኒሕና። ናይ ሸሞንተ ርእሰይ ንቀበል ደኣ ምበር፡ ልቓሕ ጸኒሑኒ፤ ሰብ ዘይሃብክና ብዝብል ሰዓት... ያው ኵሉ ሰብ ከምኡ እዩ ጸኒሑ። እናተለቓቕሐ፡ እናተለቓቕሐ እዩ ጸኒሑ። ምኽንያቱ ቅድሚ ሓሙሸተ ወርሒ ኢና ተዋሂብና ነይርና ረድኤት” ትብል። ወሲኻ እውን፡ “ህዝቢ መቐለ ክረድኣና ጸኒሑ። ሕጂ እቲ ህዝቢ መቐለ እውን ናብ ሽግር ኣትዩ፤ ናብ ጥሜት ኣትዩ። ንባዕሉ እውን እቲ ዝበልዖ የብሉን። ሰብ ይርፍረፍ ኣሎ፡ ይወድቕ ኣሎ፡ ኣብ ሓደጋ ኢና ዘለና።” ኢላ ኣብ ውሽጢ ዝተሓዋወሰ ስምዒት ኰይና ንህዝቢ መቐለ ዘለዋ ምስጋናን ነቲ ህልው ጸገምን ትገልጽ። ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሉ ተጸበይቲ፡ ስሩዕን ቀጻልን ረድኤት እንተዘይረኺቦም ኣብ ከቢድ ጸገም ከምዝወድቁ እቶም ግዳያት ይዛረቡ። መስርሕ ምዕዳልን ምክፍፋልን ረድኤት ግልጺ ዘይምዃኑ ብዙሕ ጸገም ከምዝፈጥር እቶም መሰኻኽር ይገልጹ። ፍረሂወት፡ “መንበሪ የብልናን፤ ደቅና ዝመሃሩሉ ዝነበሩ ቤት ትምህርቲ ኣሕዲግና ኢና ንቕመጥ ዘለና። ኣብ ሓደ ክላስ ልዕሊ ሰላሳ መራሕቲ ስድራ እዮም ዘለው። ምስኦም ደቆም ኣለው፡” ትብል። “[እቲ ረድኤት] ኣብ ወወርሒ እኳ ከይወሃበና፡ ኣብ ሰለስተ ወርሒ፡ ኣብ ኣርባዕተ ወርሒ ምስ ሞትካ’ዩ። ሓሚምካ ክትሕከመሉ ኣይትኽእል፡ ነቲ ዝሃቡኻ ረዲኤት ንኣቤዛለ ኣይኣኽለካ።” ክትብል ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ መራሕቲ ስድራ ኣብ ከቢድ ሽግር ከምዘለዋ ትገልጽ። “ኣብዛ ዓመት እዚኣ ኣርባዕተ ግዜ ተዋሂብና ኣለና።” ዝበለና ድማ ኣይተ ኣባዲ እዩ። “መስከረም፡ ሕዳር፡ ለካቲት ወሲድና። ሕዚ ኸዓ ዕለት ዓሰርተ ሽዱሽተ ሰነ ተዋሂብና ማለት እዩ። ኣርባዕተ ወርሒ ምስገበርና ማለት እዩ። እዚ እውን ብኽንደይ ጥርዓን ...” ክብል እቲ ጸገም ረድኤት ብስሩዕ ዘይምርካቦም ጥራይ ከምዘይኮነ ይዛረብ። ረድኤት በብእዋኑ ብስሩዕ ዘይምርካቦም እቲ ሓደ ጸገም እዩ። ካልእ እቲ ዝወሃብ ረድኤት ባዕሉ ስድራቤት ንምምሕዳር እዅል ኣይኮነን። ብዘይካ እዚ ግን ምስ ብልሽውና ተተሓሒዞም ዝለዓሉ ቅሬታታት ከምዘለዉ እቶም መሰኻኽር ንቢቢሲ ገሊጾም። እቶም መሰኻኽር ከምዝሕብርዎ ኣብቶም ማእከላት ዝነብሩ ተመዛበልቲ ዝውክልዎም ኮሚቴታት ኣለዉ። ብተወሳኺ'ውን በብዝነበርዎ ዞባ ተጠርኒፎም ብኣመሓደርቲ ዞባ ክመሓደሩ ተገይሩ እዩ። ይኹዅ እምበር ረድኤት ኣብ ምክፍፋልን ምብጻሕን ብፍላይ ድማ ቀዳምነት ኣብ ምሃብ ዝረኣዩ ጸገማት ኣለዉ። ብኽንደይ ጥርዓን ረድኤት ከምዝረኽቡ ዝገልጽ ኣይተ ኣባዲ “... ኣረጊትን ህጻውንትን ሒዝካ ...ጥርዓን ናብ ክፍለ ከተማ ድዩ ናብ ዞባ...እዩ። መራሒ ኣሎና ድዩ የብልናን [እንድዒ] ጠሚና እዩ እቲ ጥርዓን፤ ኻልእ ትግርኛ የብሉን።” ይብል። “ኣብቶም ታሕተዎት ኣመራርሓ እንደገና ንሶም ቤተሰቦም ንኽውገኑ...  በቃ ናይ ምጭብርባር ዝዓይነቱ'ዩ መግለጺ የብሉን። ውሽጢ ውሽጢ ብቲፎዞ...” ከምኡ'ውን ሓበሬታ ብምዝባዕ ንውልቆም ዝጥቀሙ ኣባላት ምምሕዳር ኣለዉ ይብል። “ዘለናዮ ሓደጋ መግለጺ የብሉን።...ኣብዚ፡ ምሕደራ ዝበሃል የለን ብሱሩ። ሕጊ፡ ሕገ መንግስትናስ፡ ዋላ ሰላም ኰይኑ እንተተሓጎስና እውን፡ ምሕደራ ዝበሃል የለን ኣብዚ። ምጭብርባር እዩ ዘብልዕ። ድምጺ ዘይብሉ ይሓቅቕ ኣሎ፤ ድምጺ ዘለዎ ኸዓ ዘራይ ኣለዎ።” ብተወሳኺ፡ ብውልቆም ረድኤት ሒዞም ዝመጽኡ ዝተፈላለዩ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ረድኤት ከየከፋፍሉ ከምዝግበሩ ኣይተ ኣባዲ ይሕብር። “ኣብዚ ኾፍ ኢልና ብእንሰምዖን ካብቶም ኮሚቴ ከም እንረኽቦን ግን፡ ዞባ እዩ ዝዓግተና ዘሎ። ...ኣይኸውንን ኢሉ ዞባ ይምልሶ። ዞባን ክፍለ ከተማን። ክልቲኦም እዞም ተሓባቢሮም ምንም ክርድኣና ኣይከኣለን። ኣብዚኣ ብመረረት ተዓጺና ኣብዛ ሓጹር ናይዛ ቤት ትምህርቲ እዚአን ኢና ንነብር ዘለና። ድጋፍ ክመጸና እንተበለ እውን ዝዓጽውና እንሄዉ፡” ይብል። እቶም ናይ ዞባ ተባሂሎም ዝተመረጹ፡ “...ዝገደደ ጨካናት ኰይኖም ኣለው። ኣብዚ ምጽራይ የለን። ‘እንታይ እዩ ሽግሩ?’ ኣኼባ ኣኪቦም ‘ዘለኩም ሽግር ንገሩና’ ዝብልስ የለን። በቃ ኣብ ወንበርካ ኴንካ ብጭካነ ምዕጻው፡” ክብል ኣብ ምሕደራን ዕደላን ዘለዎ ቅሬታ ይገልጽ። ኣይተ ኣባዲ ካብ ዝገለጾ ቅሬታ ብተወሳኺ፡ “ሓንቲ ክዛረባ ዝግባኣኒ...” ነገር ኣላ ዝበለት ፍረሂወት ኣብ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ባዕሉ ዝተፈላለዩ ጸገማት ከምዘለዉ ትሕብር። ንሳ ከምትብሎ ኣብ ካልእ ማእከል ተመዛበልቲ ዝሓሸ ሓገዝ ዝገብሩ ገለ ገለ ትካላት ናብቲ ንሳ ትነብረሉ ማእከል ግን ተራእዮም ኣይፈልጡን። “ብምንታይ ኢና ንፍለ? ኵላትና ተፈናቒልና ኢና መጺእና። ንብረትና ገዲፍና፡ ንፈትዎ ገዛና ገዲፍና ... ካብቶም ዝሞቱ ግን ንሕና ንሓይሽ።” ካብ ናውቲ ትምህርቲ ጀሚሩ ክሳብ ገንዘብ ዝዕድሉ ትካላት ናብኦም ዘይበጽሓሉ ምኽንያት ከምዘይተረድኣ ዝገለጸት ፍረሂወት “ንዅሉ ተመዛባላይ ማዕረ ይዅን፡” ኢላ ቅረትኣ ተኸትም። ኣብ ትግራይ ዘሎ ምክፍፋል ረድኤት ፍትሓዊ ኣይኰነን ዝብሉ ክሲታት ክለዓሉ ጸኒሖም እዮም። ንምዃኑ ነቲ ረድኤት መን እዩ ዘከፋፍሎ? ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ባዕሎም ድዮም ወይስ መንግስቲ ትግራይ እዩ ተረከቡ ዘከፋፍሎ? ንዝብል ሕቶ ኣይተ ዮሃንስ፡ እቶም ኣብ ትግራይን ካብኡ ወጻኢን ጨንፈራት ዘለዎም ወሃብቲ ረድኤት ስሩዕ መስርሕ ከምዘለዎምን ኣብ ትግራይ ካብዚ ከምዘይፍለ ይገልጽ። “ኣብ ትግራይ ንኣብነት ኦፊስ ኣለዎም። ኣብ መቐለን ካብ መቐለ ወጻኢን።” ስለዝዀነ፡ ይብል ኣይተ ዮሃንስ፡ ረድኤት ናብ ትግራይ ምስ ኣተወ፡ ኣብ መቐለ ዝርከቡ ጨንፈራት ናይቶም ወሃብቲ ሓገዝ ይቕበልዎ። ንኣብነት ውድብ ምግቢ ዓለም ዝለኣኾ ረድኤት ናብ መቐለ ምኣተወ ኣብ መቐለ ዝርከብ ጨንፈር ውድብ ምግቢ ዓለም ከምዝቕበሎ ይገልጽ። “ንሳቶም ተቐቢሎም መስርሕ ኣለዎም፡ ፕሮግራም ኣለዎም፡ በቲ ፕሮግራም መሰረት ንህዝቢ የከፋፍሉ። መንግስቲ ትግራይ ናይ ምውህሃድን ምቅልጣፍን ስራሕ ጥራይ እዩ ዝሰርሕ። ምከፍፋል ረዲኤት ናይቶም ወሃብቲ ሓገዝ ስራሕ እዩ፡” ይብል። እንተዀነ፡ እቶም ወሃብቲ ረድኤት ብፍላይ ናይ ነዳዲ፡ ናይ ገንዘብን ናይ ኮምዩኒኬሽንን ሕጽረት ስለዘለዎም ከምቲ ዝድለዮ ምንቅስቓስ ክገብሩ ከምዘይከኣሉ ወሲኹ ይሕብር። ውድብ ምግቢ ዓለም ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ቅልውላው ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽፍታሕ መደብ ሒዙ ዝተፈላለዩ ጻዕርታት ኣብ ግብሪ የውዕል ከምዘሎ ይፍለጥ። ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ረድኤት ዝጸዓና መካይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ከምዝገበረ'ውን ክገልጽ ጸኒሑ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ምክፍፋል ረድኤት ዘሎ ኽትትልን ግምገማን እንታይ ከምዝመስል፣ ከምኡ’ውን እቶም ተጸበይቲ ዘልዓልዎም ቅሬታታት ብኸመይ ክፍትሑ ከምዝኽእሉን ብዝምልከት፡ ቢቢሲ ካብ ውድብ ምግቢ ዓለም ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰለጠን፤ ምላሽን ሓበሬታን ምስ ተዋህበ ከምእነቕርቦ ንሕብር።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cpwx7nd7v17o"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ዩኤስአይድ ንዘቕርቦ 2 ሚልዮን ሊትሮ ነዳዲ ናብ ትግራይ ክኣቱ ፈቒዱ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ በብወርሑ ዩኤስኤይድ ዘቕርቦ ክልተ ሚልዮን ሊትሮ ነዳዲ ናብ ትግራይ ክኣቱ ከምዝፈቐደ ተገሊፁ። እዚ ዝተገለፀ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕንነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ ምስ ዳይሬክተር ውድብ ምግቢ ዓለም ዴቪድ ቢዝሊን ኣብ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ። እቲ ሚኒስቴር፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፁ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፡ ቀረብ ነዳዲ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ምክፍፋል ሓገዝ ዝመጣጠን ክኸውን ከምዘለዎ ሓቢሩ። ከም ኣገላልፃ ኣምባሳደር ሬድዋን፡ ውድብ ምግቢ ዓለም በብወርሑ ክልተ ሚሊየን ሊትሮ ነዳዲ ናብ ትግራይ ንምእታው ብዝምልከት ዝርዝር ሰነዳት ኣቕሪቡ እዩ። ዩኤስኣይድ፡ ነቲ ዝተጠቐሰ መጠን ነዳዲ ናብ ሃገር ከእቱን፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ቀረብ ረድኤት ናብ ህዝቢ ክበጽሕ ንምግዓዝ ክውዕልን መንግስቲ ከምዝፈቐደ ኣይተ ሬድዋን ወሲኹ ሓቢሩ። ብተወሳኺ ብጭቡጥ መረዳእታ ክሳብ ዝድገፍ ናብ ትግራይ ዝኣቱ መጠን ገንዘብን ነዳድን ንምዕባይ ፌደራል መንግስቲ ድልው ምዃኑ ገሊጹ። ኣገልግሎት ኮምኒኬሽን መንግስቲ፡ ሎሚ ሓሙስ 16 ሰነ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ መራሕቲ ትግራይ ካብ ረቡዕ ጀሚሩ ንዘይተወሰነ እዋን መዓልታዊ ዝግበር ዝነበረ በረራታት ከምዝኣገደ ከሲሱ። ካብ መራሕቲ ትግራይ ሓደ ዝዀነ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝፀሓፎ መልእኽቲ፡ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ብሰንኪ ሕፅረት ነዳዲ ንግዚኡ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዘይከኣለን ኣብ ቀረባ እዋን ስርሑ ክጅምር ተስፋ ከምዘለዎን ገሊጹ። ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ምስ ዋና ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራሕ ናብ ትግራይ 137,913 ሊትሮ ነዳዲ ዝፀዓና ሰለስተ ናይ ፅዕነት መካይን ከምዝኣተዋ ተዛሪቡ። \"ህወሓት፡ 'ነዳዲ የለን' ዝብል ዘሎ ንኻልእ ዙር ኲናት ሰራዊት ንምውዳብ ዓቕሙ ንምሕያልን ደልዩ እዩ” ክብል ብምኽሳስ፡ ብድምር 920,309 ሊትሮ ነዳዲ ናብ ትግራይ ኣትዩ እዩ ኢሉ። ብዛዕባ እዚ መጠን ነዳዲ፡ ካብ ትካላት ረድኤት ኰነ ካብ መራሕቲ ትግራይ ዝተብሃለ የለን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ሰነ፡ እቲ ውግእ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ካብ ዝልሕም ጀሚሩ፡ ንትግራይ ዝወሃብ ሰብኣዊ ሓገዝን ቀረብ ነዳድን ተቛሪጹ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብቲ ክልል ልዕሊ ሓሙሽተ ሚሊየን ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ። ኣብ ወርሒ መጋቢት ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ካብ ዝፍረም ጀሚሩ፡ ዝተወሰነ ሓገዝ ናብ ትግራይ ከምዝኣተወ፡ እንተኾነ  ሕጽረት ነዳዲ ከምዘጋጠመ ጸብጻባት የመልክቱ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብዚ ወርሒ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ መኽዘኑ ን950 ሽሕ ሰባት ዝኣክል መግቢ ከምዘለዎ እኳ እንተገለፀ ብሰንኪ ሕፅረት ነዳዲ ግና ክበፅሕ ከምዘይከኣለ ኤፒ ፀብፂቡ። ኮሚሽነር ሕብረት ኤውሮጳ ክሪሲስ ሌናርቺክ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝገበሮ ዑደት፡ “መኽዘናት ብሓገዝ መሊኦም'ዮም፡ ናብ ገጠራት ግን ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ክበጽሑ ኣይከኣሉን\" ክብል ጠቒሱ። እቲ ንኣስታት 19 ኣዋርሕ ዝፀንሐ ኲናት ትግራይ ህድእ ዝበለ ዀይኑ፣ እቲ ኲናት ጠቕሊልካ ንምቁራፅ ግን ዛጊድ ኣብ ስምምዕነት ኣይተበፅሐን።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cpvzk4ne3gno"} {"headline":"ድንጉይ ግን ዘተኣማምን' ምዕባለ ንርኢ ኣለና -ኦሊሰጉን ኦባሳንጆ","content":"ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጄሪያ ነበር ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ፡ ብሰሉስ ምስ መራሕቲ ትግራይ ተራኺቡ ነይሩ። እቲ ፍሉይ ልኡኽ ምስ ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ከም ዝተዘራረበ፡ ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ብትዊተር ኣብ ዝሓበረሉ እዋን፡ ክልቲኦም ኣብ “ዞባዊ ጉዳያት” ተዘራሪቦም ምባሉ ይዝከር። ትማሊ ምስ ቢቢሲ ፎካስ ኦን ኣፍሪቃ ቃለመጠይቕ ዝገበረ ፍሉይ ልኡኽ ኦባሳንጆ፡ እቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ዝተወልዐ ኲናት ንኸብቅዕ ዝግበር ዘሎ ዝርርብ፡ “ድንጉይ ግን ድማ ዘተኣማምን” ምዕባለ የርኢ ኣሎ ክብል ገሊጹዎ። ኦባሳንጆ፡ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኰይኑ ካብ ዝሽየም ንደሓር፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ብሰላማዊ መገዲ ንኽፍታሕ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ናብ ትግራይን ኣዲስ ኣበባን ብምኻድ ንመራሕቲ እቲ ክልልን ፌደራል መንግስትን ከዘራርብ ጸኒሑ’ዩ። “እቲ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ካብቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝነበረ ዝሓሸ’ዩ፤ ብቐጻሊ ክንገብሮ ዝግብኣና፡ እቲ ሕጂ እንገብሮ ዘለና ኰይኑ፡ ንሱ ድማ ምትእምማን ንኽፍጠር ዝሕግዙ ስጕምታት ኣዕቢኻ ክቕጽሉ ምግባር እዩ፡” ኢሉ። እቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ መንጐ እዞም መራሕቲ ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርባት ዝምልከት ብወግዒ ዝተገልጸ ዝርዝር ሓበሬታ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኦባሳንጆ ናብ ትግራይ ዘይተገደበ ምብጻሕ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ክህሉ፣ እቲ ኲናት ድማ ጠጠው ክብል ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ይዘራረቡ ምህላዎም ንቢቢሲ ተዛሪቡ። “ዘይተገደብ ምብጻሕ ሰብኣዊ ረድኤት ክህሉ ኣለዎ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ዘየድልዮ ከባቢ የለን፤ ግን ሰብኣዊ ረድኤት ኣይበጽሕን ዘሎ። ስለ ዝዀነ፡ ናብ ስሩዕ ምዕራፍ ኣዋጅ ምቁራጽ ተጻብኦ ዝወስደና ኣብ ስምምዕ ዝተሞርኰሰ ምቁራጽ ተጻብኦ ክግበር ኢና ንደሊ፡” ይብል። ሕብረት ኣፍሪቃ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ጐንጺ ብዕቱብ ወሲዱዎ’ዩ ኢልካ’ዶ ትሓስብ? ዝብል ሕቶ ዝቐረበበሉ ኦባሳንጆ፡ “ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም፣ ድሕነትን ምርግጋእን ንክመጽእ ንዓይ ምስያሙ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ነዚ ጉዳይ ብልቢ ተቐቢልዎ'ሎ ማለት እዩ። ስለዝዀነ ድማ ንንእዶ፡” ኢሉ። እቲ ኲናት ጠንቂ ሞትን ምምዝባልን ኣሽሓት ክኸውን እንከሎ፡ ሚልዮናት ንሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት ክቃልዑን ሓደጋ ጥምየት ከንጸላልዎምን ምኽንያት ኰይኑ’ዩ ብዝብል ማሕበረሰብ ዓለም፡ ተጻባእቲ ሓይልታት ኲናት ጠጠው ከብሉ ጸቕጢ ክገብር ጸኒሑ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተወስደ ሰብኣዊ ምቍራጽ ተጻብኦታት ድማ፡ ተዛማዲ ህድኣት ፈጢሩ ምጽንሑ ይፍለጥ። ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦባሳንጆ፡ ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ዝርርብ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ኣብ ልዕሊ ክልቲኦም ወገናት ጸቕጢ ምፍጣር ዘይኮነ ካብ ጸቕጢ ክናገፉ ምግባር ከም ዝዀነ ይዛረብ። “ናተይ ስራሕ፡ ክልቲኦም ወገናት ካብ ጸቕጢ ምንጋፍ እዩ፤ ስለዚ፡ ሕጂ’ውን ናብ ካልእ ጐንጺ ዘእቱ ጸቕጢ እንተሃልዩዎም ካብዚ ብምንጋፍ ኣብ ክንዲ ኲናት፡ ሰላማዊ መገዲ ንኽርእዩ ምግባር እዩ፡” ኢሉ። እቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቐጸለ ኵናት ብሰላማዊ መገዲ ንኽፍታሕ ዝተጀመረ ጻዕሪ ግን መዓስ ከም ዝዛዘም ገደብ ግዜ ከቐምጥ ከም ዘይክእል ዝገልጽ ኦባሳንጆ፡ ኣብ መንጐ እቶም ተጻባእቲ ወገናት ሓባራዊ ምርድዳእ ንኽፍጠር ቀጻሊ ጻዕሪ ከም ዝገብር ሓቢሩ። እቲ ብወገን መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ህወሓትን ዝተኣወጀ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ድማ፡ ካብኡ ሓሊፉ ናብ ስሩዕ ኣዋጅ ምቁራጽ ተጻብኦ ክወስድ ዘኽእል ንክኸውንን ኣብቲ ክልል ዝተቛረጹ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱን ተስፋ ከም ዝገብር ገሊጹ። “ኣብ ትግራይ መብራህቲ፡ ማይ፡ ባንኪ የለን። እቲ ኲናት ንኻልኦት ኣገልግሎታት’ውን ጸልዩ’ዩ። ናብ ሓደ ዩኒቨርሲቲ ክበጽሕ ከይደ ነይረ፤ ኣብኡ ዘሎ ማእከል ሓበሬታ ቴክኖሎጂ ምሉእ ንምሉእ ዓንዩ’ዩ፤ እዚ ናብ ንቡር ክምለስ ኣለዎ። እዚ ንኽግሃድ’ውን ኢና ንሰርሕ ዘለና፤ እዚ ግን ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ፡ ሰለስተ ድዩ ሽዱሽተ ወርሒ ክብጻሕ ኣይፈልጥን፤ ግን ቅድሚ'ቲ ብዙሓት ሰባት ትጽቢት ዝገብርሉ ክኸውን'ዩ ኢለ እኣምን፡” ኢሉ። ኣብዚ ቀረባ እዋናት ብወገን ኤርትራ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ክወሃብ ዝጸንሐ መግለጺታት ግን፡ ዳግማይ ውግእ ከይውላዕ ስግኣታት ፈጢሩ ምህላው ይፍለጥ። ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን መወዳእታ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ከተማ ሸራሮ ብዝፈነዎ መጥቃዕቲ ሓንቲ ጓል 14 ዓመት ህጻን ከም ዝተቐትለትን 18 ሰባት ከም ዝቆሰሉን ሮይተርስ ጸብጺቡ ነይሩ። ሮይተርስ፡ ካብ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘስፈሮ ሰነድ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተመልኪተ ኢሉ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ከተማ ሸራሮ ብውሕዱ 23 ግዜ ከቢድ ኣጽዋር ከምዝተኮሰ ገሊጹ። ካብ መንግስቲ ኤርትራ፡ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ኮነ ምስ ሓይልታት ትግራይ ተኻይዱ ዝተበሃለ ውግእ ዛጊት ዝተበሃለ የለን። ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብሰኑይ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ገለ ኣሃዱታት ሰራዊት ኤርትራ ብ24 ግንቦት ኣብ ከባቢ ዓዲ-ኣውዓላ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙን ብሓይልታቶም ከምዝበርዓነን ጠቒሱ። ብወገን ኤርትራ ብዛዕባ'ዚ ኣቶ ጌታቸው ዝጠቐሶ ረጽሚ ዝተዋህበ መግለጺ'ኳ እንተዘየለ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን ህወሓት ንዳግማይ ኲናት ወተሃደራዊ ምድላዋት ይገብር ከምዘሎ ሰብመዚ ኤርትራ ገሊጾም ነይሮም። ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶ\/ር ለገሱ ቱሉ ብወገኑ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብዛዕባ'ቲ ዝተባህለ ናይ ኤርትራ መጥቃዕቲ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ብምግላጽ፡ \"ሰራዊት ኤርትራ ግና መጥቃዕቲ ክፍጽም ኣይክእልን\" ኢሉ። መራሕቲ ህወሓት \"ባዕሎም ንኲናት ይዳለዉ ስለዘለዉ፡ ንማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋር ዝፈጠርዎ\" እዩ ብምባል ድማ ንመግለጺ ኣቶ ጌታቸው ነጺግዎ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cqv2xdz7n42o"} {"headline":"ሕቡራት ሃገራት ረድኤት ኣብ ዘቛረጸላ ደቡብ ሱዳን፡ ህጻናት ይሞቱ ኣለዉ -ተባሂሉ","content":"ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘቕርቦ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ምቁራጹ ስዒቡ፡ ሓደ ዓብዪን ክልተ ህጻናትን ከምዝሞቱ ሰራሕተኛታት ረድኤት ንቢቢሲ ገሊጾም፡፡ እቲ ሞት ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ዋራፕ ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት እዩ ኣጋጢሙ፡፡ እቲ ሓደጋ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም፡ ብሕጽረት ርሾ (ፈንድ) ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘቕርቦ ዝነበረ ሓገዝ ምግቢ ደው ከምዘበለ ድሕሪ ምግላጹ እዩ አጋጢሙ ዘሎ፡፡ እቲ ትካል ቀረብ ምግቢ ንምቕጻል 426 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልዮ ኣብ ወርሒ ሰነ ገሊጹ ነይሩ፡፡ እንተኾነ ማሕረሰብ ዓለም ትኹረቱ ኲናት ዩክረይን ሓዊሱ ናብ ካልኦት ቅልውላዋት ብምግባሩ እቲ ሓገዝ ክርከብ ኣይተኽኣለን፡፡ ኣብቲ መዓስከር ዝሰርሕ ኣባል ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም ሳሚ ኣል ሱባይሂ፡ ካብቶም ዝሞቱ ህጻናት እቲ ሓደ ሓሙሽተ ዕድሚኡ ከምዝነበረ ተዛሪቡ፡፡ ‘‘ንኣዶ ናይቲ ሓደ ቆልዓ ኣብ ጎኒ ሓድሽ ዝተኹዓተ መቓብር ወዳ ኮፍ ኢላ ረኺበያ፤ ቀጠንትን ዝደኸሙን ካልኦት ሰለስተ ደቃ ድማ ኣብ ኣፍደገ ዕምጻጽ ጉጂ መንበሪኦም ኮፍ ኢሎም ረኺበዮም’’ ይብል፡፡ ብተወሳኺ ኣብቲ መዓስከር ዝርከቡ ኣስታት 20 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ጥምየት ከምዘለዉ ይገልጽ፡፡ ‘‘ኣብ ሓደ መዓስከር ኣካላቶም ዝደኸመን ዝወድቁን ሰባት ርእየ፤ ንነዊሕ እዋን እኹል ምግቢ ከምዘይረኸቡ ግልጺ እዩ፡፡ ኣብ ዝኾነ ገዛ ምግቢ ዘብስልን ዝተቐመጠ ምግቢ ዘለዎምን ሰብ ኣይረኣኹን፡፡’’ ሓደ በዓል ስልጣን ውድብ ምግቢ ዓለም ‘‘ብምኽንያት ሕጽረት ርሾ ን 1.7 ሚልዮን ሰባት እንህቦ ዝነበረ ሓገዝ ደው ኣቢልና ኢና፤ ን 4.5 ሚልዮን ሰባት ምሕጋዝ ግን ቀጺልና ኣለና’’ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡ እቲ ምቁራጽ ኣብ ብዙሓት ግዝኣታት ዘጋጠመ ከምዝኾነ ዝገለጸ እቲ በዓል መዚ፡ ካብ 11 ሚልዮን ህዝቢ ደቡብ ሱዳን  ልዕሊ 60 ምኢታዊት ‘‘ሓደጋ ውሕስነት ምግቢ’’ ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ገሊጹ፡፡ እቲ ትካል ኣብ መፋርቕ ሰነ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ቅድሚ ሓገዝ ደው ምባሉ፡ ኣብ 2021 ነቶም ስደተኛታት ዝህቦ ምግቢ ብፍርቂ ብምንካይ ዝኣመሰሉ ኣማራጺታት ከምዝፈተነን ከምዘይሰመረሉን ኣፍሊጡ ነይሩ፡፡ ንነዊሕ ዓመታት ብጎንጺ ክትሕመስ ዝጸንሐት ደቡብ ሱዳን ኣብ 2011 ናጽነታ ካብ እትረክብ ንደሓር እውን ብሕጽረት ምግቢ ተጠቒዓ ጸኒሓ፡፡ እቲ ንኣርባዕተ ወቕቲታት ዝቐጸለ ከቢድ ውሑጅ እውን ብዙሕ ገዛውትን  ኣዝርእትን ብምዕናው ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ብምፍንቓል ነቲ ኩነታት ኣጋዲድዎ እዩ፡፡","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cek0yd1kk9mo"} {"headline":"ሕቡራት ሃገራት ንትግራይ ዝገብሮ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘቋረጸ ኣፍሊጡ","content":"ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ክልል ትግራይ ንኣዋርሕ ከካይዶ ​​ዝጸንሐ ሰብኣዊ ሓገዝ ምብጻሕ ደው ከምዝበለ ኣፍሊጡ። እቲ ውድብ፡ እቲ ‘ኣዝዩ ኣገዳሲ’ ዝበሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ምጉዕዓዝ ደው ከብል ዘጋደዶ ዳግማይ ኲናት ድሕሪ ምጅማሩ እዩ። ብመሰረት ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት (OCHA)፡ ካብ ዝሓለፈ 18 ነሓሰ 2014 ዓ.ም [ግእዝ]  ጀሚሩ፡ ብመሬት ናብ ትግራይ ዘእትዎ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ተቛሪፁ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ካብ 19 ነሓሰ ጀሚሩ ናብ ትግራይ ዝግበሩ ኣገደስቲ በረራታት ሰብኣዊ ረድኤት ደው ከምዝበለ ገሊጹ። ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላውን ስግኣት ኮይኑ ይቕፅል ከምዘሎ እቲ ትካል ገሊጹ'ሎ። ኣብቲ ኲናት ዝካየደሉ ዘሎ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ሰባት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ’ውን ዘይተረጋገጹ ፀብፃባት ከምዝበጽሕዎ ኦቻ ሓቢሩ። ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ረቡዕ 18 ነሓሰ 2014 ዓ.ም፡ እቶም ተጻባእቲ ኣካለት፡ ከም ብሓድሽ ናብ ግጭት ከም ዝኣተዉ ዝዝከር ኰይኑ፡ መን ዳግም ወሊዕዎ ኣብ ዝብል ነንሕድሕዶም ይካሰሱ ኣለዉ። ሓይልታት ትግራይ፡ ነቲ ኲናት ዳግም ብምጅማር፡ ንፌደራል መንግስቲ ክወቕሱ እንከለዉ ፤ መንግስቲ ብወገኑ፡ ንሳቶም ከምዝጀመርዎ ይምጉት። እቲ ጎንጺ ዳግማይ ምልዓሉ፡ ነቲ ንሚልዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ዝወሃብ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ክብል ጠንቂ ከምዝኰነ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ'ሎ። እቲ ትካል፡ ኣብ መዓልታዊ መግለጺኡ፡ ኩነታት ጸጥታ ኣብ ዝመሓየሸሉ እዋን፡ ምስ ካልኦት ዘይመንግስታዊ መሻርኽቲ ትካላት ብሓባር ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘቕርብ ኣፍሊጡ። ናብ ክልል ትግራይ ቀዲሙ ዝኣተወ ሰብኣዊ ሓገዝ ግን ይዕደል ከምዘሎ ሓቢሩ። ሕቡራት ሃገራት፡ ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ፡ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት፡ ብዘይ ዝኾነ ገደብ ኣብ መላእ ሰሜን ኢትዮጵያ ከንቀሳቕሱ ብቕልጡፍ ክፍቀደሎም ከምዘለዎ ድማ ሓቲቱ ኣሎ። ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ፡ እቲ ጎንጺ ካብ ዝለዓል ንደሓር ብነፋሪት ይኹን ብመሬት ናብ ትግራይ ዝኣቱ ጥረ ገንዘብ፣ ሰብኣዊ ረድኤት ዀነ ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤት የለን። ኲናት ሓድሕድ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ካብ ዝለዓል ኣትሒዙ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ዓፋርን ትግራይን ልዕሊ 9 ሚልዮን ዝቑፀሩ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ዜጋታት ኣለው። ዳግማይ ምጅማር ኲናት፡ ንሳልሳይ ግዜ፡ ኣብ ኣወሃህባ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣሉታዊ ፅልዋ የሕድር ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እቲ ኲናት ዳግማይ ምውልዑ ምስተሰምዐ፡ሓይልታት ትግራይ ካብ ቀጽሪ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሊትሮ ነዳዲ ብሓይሊ ከምዝወሰዱ እቲ ትካል ከሲሱ ነይሩ። ብኣንፃሩ፡ ሓይልታት ትግራይ \"ነቲ ትካል ኣለቂሕናዮ ዝነበርና ነዳዲ መሊስና ‘ምበር ኣይሰረቕናን\"፡ ክብሉ ንመግለጺ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብትሪ ነቒፎሞ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ፡ ህጹጽ ሓገዝ ምግቢ ዘድልዮም ልዕሊ 5.2 ሚሊዮን ሰባት ከምዘለዉ እቲ ትካል የረድእ። እቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ክበፅሕ እንተዘይክኢሉ ሚልዮናት ንሓደጋ ጥሜት ከምዝቃልዑ ብተደጋጋሚ ከጠንቅቕ ጸኒሑ እዩ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c0dwzvzpjnpo"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልል ዓፋር ጠቕሊሎም ንምውጻእ ቅድመ ኹነት ኣቐሚጦም","content":"ኲናት ትግራይ ሰላማዊ ፍታሕ እንተዘይተረኺብዎ፡ ነቲ ኩነታት ንምፍታሕ \"ካልእ ኣገባብ\" ክወስዱ ምዃኖም መራሕቲ ትግራይ ኣጠንቂቖም። መራሒ ክልል ትግራይ ዶ\/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ንዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶዮ ጉተረዝ ኣብ ዝጸሓፎ \"ቅሉዕ ደብዳበ\"፡ ዋላ'ኳ ማሕበረሰብዓለም ነቲ ተኣዊጁ ዘሎ \"ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት\" ናእዳኡ እንተገለጸ፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ብዘይምቁራጽ ናብ ትግራይ ክኣቱ ጸቕጢ ኣይገበረን ክብል ነቒፉ። \"ዛጊድ ዝኣክል ሞትን ዕንወትን በጺሑ እዩ። እንተኾነ፡ ህዝብና ብጥሜትን ብቐሊሉ ምክልኻል ዝካአሉ ሕማማትን ክሃልቕ ሱቕ ኢልና ክንዕዘብ ኣይንኽእልን። \"በዚ መሰረት ሰላማዊ ፍታሕ ዘይሰርሕ እንተኾይኑ ካልእ ኣገባብ ክንወስድ ክንግደድ ኢና\" ክብል ዶ\/ር ደብረጽዮን ኣጠንቂቑ'ሎ። ነቲ ንልዕሊ 17 ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ሓይልታት ትግራይን ዝቐጸለ ኲናት ትግራይ ሰላማዊ ፍታሕ ንምንዳይ ክግበር ዝጸንሐ ዛጊት ጭቡጥ ውጽኢት ኣየምጸአን። ንኩነታት ጸጥታ ብዝምልከት፡ ልኡላዊነትን እታ ሃገር ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዝወደቐን፡ ምትእትታው ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ መርኣያ ናቱ ከምዝኾነን እቲ መራሒ ህወሓት ነቒፉ። ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ዶ\/ር ደብረጽዮን ዝመርሖ ውድብ ህወሓት ጠንቂ ዘይምርግጋእ እታ ሃገር'ዩ ብምባል ከም \"ኣሸባሪ\" ጉጅለ ከምዝርእዮ ብወግዒ ምውሳኑ ይዝከር። ዶ\/ር ደብረጽዮን፡ ሓይልታት ኤርትራ ካብ'ቲ ዛጊድ ተቖጻጺሮምዎ ኣለዉ ዝበሎም፡ \"ገለ ከባቢታት ሰሜናዊ ምዕራብ፣ ማእኸላይን ምብራቕን ትግራይን\" ከምኡ'ውን ካብ ኢትዮጵያ ጠቕሊሎም ክወጽኡን ይጠልብ። ኣብ ኲናት ትግራይ ሰፊሕ ተሳትፎ ዝነበሮም ሓይልታት ኤርትራ፡ ካብቲ ክልል ክወጹ ምዃኖም ሰብመዚ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር። ህላወ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ዓፋር ሰብመዚ ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብቲ ሒዞሞ ዘለዉ ቦታታት ክልል ዓፋር ክወጹ ክጽውዑ ምጽንሖም ይፍለጥ። መራሕቲ ትግራይ፡ ብ12 ሚያዝያ ሓይልታቶም ኤሬብቲ ተባሂሉ ካብ ዝፅዋዕ ከባብታት ዓፋር ለቒቖም ንምውፃእ ዝወሰኑ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ንምሕላፍ ዝተበፅሐ ስምምዕ ክኽበርን ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ምእንቲ ክኣቱን ምዃኖም'ዮም ሓቢሮም ነይሮም። \"ህላወ ሓይልታትና ኣብ [ክልል] ዓፋር ነቲ ቅሉዕን ህልውን ጸጥታዊ ሓደጋ ንምግታእ ዝዓለመ'ዩ፣ ብመትከል ከኣ ተወሳኺ ምስሓብ ሓይልታት ትግራይ ካብ ዓፋር ንምግባር ድሉዋት ኢና\" ክብል መልእኽቲ ዶ\/ር ደብረጽዮን ገሊጹ'ሎ። ሓይልታት ትግራይ ካብ ጎረቤት ክልል ዓፋር ጠቕሊሎም ንምውጻእ ግን ዝተወሰኑ ቅድመ-ኩነታት ክረጋገጹ መራሕቲ ትግራይ ይጠልቡ። ዘይተገደበ ረድኤት ዝኣትወሉ ስርዓት ክዝርጋሕን ዝተቛረጹ መሰረታዊ ኣገልግሎት መንግስቲ ናብ ቦተኦም ክምለሱን ኣለዎም ኢሉ። ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ኣብቲ ክልል ኣገልግሎት ስልኪ፣ መብራህቲ፣ ባንክን ትራንስፖርትን ተቛሪጾም ዝርከቡ ኮይኖም፡ እዚ ድማ፡ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘጋድድ ምዃኑ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ክገልጹ ጸኒሖም እዮም። \"ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ሒደት ናይ ጽዕነት መኻይን በዚ መዓልቲ ክኣትያ እየን ብዝብል ክውሰን የብሉን። እኳ ደኣስ፡ ናብ ትግራይ ስሩዕ፣ እኹልን ዘይተገደበን ረድኤት ከኣቱ ዘኽእል መስርሕ ክዝርጋሕ ኣለዎ\" ኢሉ። በቐዳምነት፡ እቲ ንህዝቢ ትግራይ ኣዝዩ ኣድላይ ዝኾነ ሰብኣዊ ረድኤት ዝሓልፈሉ ፍሉይ መገዲ (ኮሪደር) ክህሉ፡ ከምኡ ድማ ነዚ ክዉን ንምግባር ዘኽእል ዘተአማምንን ዘላቕነት ዘለዎን ስርዓት ክዝርጋሕ ይግባእ ኢሉ። \"ቀረብ ሰብኣዊ ረዲኤት ሒደት ናይ ጽዕነት መኻይን በዚ መዓልቲ ክኣትያ እየን ብዝብል ክውሰን የብሉን። እኳደኣስ፡ ናብ ትግራይ ስሩዕ፣ እኹልን ዘይተገደበን ረድኤት ከኣቱ ዘኽእል መስርሕ ክዝርጋሕ ኣለዎ\" ኢሉ። ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምውጸኦም ቅልውላው እታ ሃገር ክመሓየሽ እዩ ዝብል \"ዝተጋገየ ርድኢት\" ዝነበሮ ማሕበረሰብ ዓለም፡ እቲ ሓቂ ንሱ ከምዘይኮነ ሕዚ ክርዳእ ይግባእ'ውን ድማ ይብል። \"ብርግጽ፡ ናብተን ክልላት ሓይልታትና ክነውፍር ዝተገደድና ናይቲ ቅልውላው ውጽኢት 'ምበር ናትና ወፍሪ ጠንቂ ኣይነበረን\" ይብል ዶ\/ር ደብረጽዮን። ኩነታት ሰብኣዊ ረዲኤት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ገለ ከባቢታት ክልል ዓፋር ድሕሪ ምውጽኦም ሰብኣዊ ረዲኤት ዝጸዓና 50 መካይን ብሰላም ናብ ከተማ መቐለ ከምዝኣተዋ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ ነይሩ። እተን መካይ 1000 ሜትሪክ ቶን ስርናይን ጥረምረን፡ ኣስታት 700 ሜትሪክ ቶን ናይ ጥዕና፡ መኣዛዊ መግቢ፡ መተሓጻጸቢን፡ ከምኡ'ውን 115,000 ሊትሮ ነዳዲ ዝጸዓና ምዃነን'ውን እቲ ትካል ጠቒሱ። እንተኾነ ግን እቲ ክሳብ ሕጂ ዝኣተወ ረዲኤት፡ ምስቲ በቲ ኲናት ዝተፈጥረ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ዝዳረግ ከምዘይኮነ ትካላት ረዲኤትን ሰብመዚ ትግራይን ይገልጹ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንዝተገብረ ምስሓብ ሓይልታት ትግራይ ዝነኣደት ኣመሪካ፡ \"ካብ ካልኦት ከባብታት ዓፋር'ውን እንተወፅዮም ጠቓሚ\" ከምዝኸውን ተማሕጺና ምንባራ ይዝከር። ልዕሊ 1700 ሜትሪክ ቶን ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ምብፅሑ'ውን ኣፅቡቕ ዜና'ዩ ክትብል ገሊጻቶ ነይራ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን፡ መግብን ሕክምናዊ ቀረባትን ዘጠቓለለ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብቲ ክልል ክኣቱ ዕድል ንምፍጣር፡ \"ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት\" ኣዊጆም ነይሮም'ዮም። ብዘይካ'ዚ ኣብ ክልተ እዋን ዝኣተዋ ውሱናት መካይን፡ እቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ሰብኣዊ ረዲኤት ብዘይምቁራጽ ክኣቱ ብዘይምኽኣሉ ግን ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ። ኣብታ ኣብ ዕጽዋ እትርከብ ክልል ትግራይ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኲናት ድሕሪ ምውልዑ፡ ኣብቲ ክልል ጥምየትን ኩነታት ዓጸቦን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ተፈጢሩ ምህላዉ ይፍለጥ። ሰላማዊ ፍታሕ ናይቲ ኲናት ንምርካብ ብሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣመሪካን ካልኦት ወገናት ንክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ጭቡጥ ፍረ ኣየምጸአን ዘሎ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61168817"} {"headline":"ናብ ትግራይ ኣገዳሲ ረድኤት ከምዘእተወ ውድብ መግቢ ዓለም ገሊጹ","content":"ኣብ 2020 ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ብዝተወልዐ ኵናት ምኽንያት፡ ኣንጸላልዩ ዝነበረ ስግኣት ሓደጋ ጥምየት ንምዕጋት ዘኽእል ኣገዳሲ ረድኤት ከምዘእተወ፡ ውድብ መግቢ ዓለም ገሊጹ። እቲ ትካል ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ሰብኣዊ ረድኤት ድሕሪ ምብጽሑ’ዩ። እቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑን ን20 ኣዋርሕ ዝቐጸለን ሓድሕዳዊ ኵናት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ዝበሃል ሰብኣዊ ሃስያታት ኣውሪዱ’ዩ። ዓለም ለኻዊ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልይዎም ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ሻቕሎቶም ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም። ኣብ ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ሓላፊ ውድብ መግቢ ዓለም፡ ኤድርያን ቫንዳክናብ፡ ትማሊ ዓርቢ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ፡ እቲ ዝመርሖ ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ከብጽሕ ስለዝኸኣለ እቲ ኣብ ትግራይ ኣንጸላልዩ ዝነበረ ሓደጋ ጥምየት ምዕጋት ከምዝከኣል ሓቢሩ። “እዚ ማለት ግን ነገራት ብተመሳሳሊ ይቕጽሉ’ዮም ማለት ኣይኮነን” ዝበለ ኤድርያን መእንተ ሰብኣዊነት ተባሂሉ ዝተብጸሐ ተጻብኦታት ናይ ምቁራጽ ውዕሊ ረድኤት ክነብጽሕ ስለዘኽኣለና እዚ ተጠኛኺሩ ክቕጽል ኣለዎ ኢሉ። ን2.1 ሚልዮን ሰባት ረድኤት ንምብጻሕ መደብ ተታሒዙ ን1.1 ሚልዮን ሰባት ረድኤት ከምዝተዓደለ እቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ሓቢሩ። ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተጻብኦታት ናይ ምቁራጽ ስምምዕ ምስገበረ ብሸነኽ ሰመራ-መቐለ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ሰብኣዊ ረድኤት ዝጸዓና ናይ ጽዕነት መካይን ናብ ትግራይ ከምዝኣተዋ ኤድርያን ወሲኹ ገሊጹ። “ጽቡቕን ሕማቕን ዜናታት ኣለዉ። እቲ ጽቡቕ ዜና እቲ መእንተ ሰብኣውነት ተባሂሉ ዝተብጸሐ ተጻብኦታት ናይ ምቁራጽ ስምምዕ ይኽበር’ዩ ዘሎ” ዝበለ እቲ ሓላፊ፡ እዚ ድማ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ረድኤት ንዝዘድልዮም ሰባት መግብን መሰረታውያን ናውትን ንኸብጽሕ ከምዘኽኣሎ ተዛሪቡ። እንተዀነ፡ ኩነታት ጸጥታ፣ ተወሳኺ ፈንድን ቀረብ ነዳድን ግን ኣብ ስራሕቲ ምብጻሕ ሰብኣዊ ረድኤት ኣሻቓሊ ኮይኑ ከምዝቐጸለ ኤድርያን ንቢቢሲ ሓቢሩ። እቲ ን20 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኵናት ሓድሕድ ኣብ ምንቅስቓስ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ስግኣት ኮይኑ ከምዝቐጸለ ዝሓበረ እቲ ሓላፊ ሕጂ’ውን ናብ ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ሰብኣዊ ረድኤታት ንምብጻሕ ተወሰኸቲ ኮሪደራት ክኽፈቱ ኣለዎም ኢሉ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣገደስቲ ዝበሃሉ ሓገዛት ንኸብጽሕ ተወሳኺ ሓገዝ ገንዘብ ከምዘድሊ’ውን ተዛሪቡ። “ተወሳኺ ፈንድ ንደሊ ኢና። ገንዘብ ንውድእ ኢና ዘለና። ቁጠባዊ ኩነታት እቲ ከባቢ ናብቲ ዝነበሮ ንኽምለስ ኣገልግሎታት ክጅምሩ ኢና እንደሊ” ድማ ኢሉ። “ድሕሪ እቲ ን20 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኵናት ዜጋታት ዝነበርዎ ኣማራጽታት ጸንቂቖም ተጠቒሞም’ዮም ወይ’ውን ኣብ ድርኩኺት ምጽንቃቕ’ዮም ዝርከቡ። ተወሰኽቲ ኮሪደራት እንተዘይተኸፊቶም፣ ተወሳኺ ሓገዝ ገንዘብ እንተዘይተረኺቡን መሰረታዊ ኣገልግሎታት እንተዘይጀሚሮሙን ግን ለውጢ ክነምጽእ ኣይንኽእልን” ይብል ኤድርያን። “ነገራት ይከፋፈቱ’ዮም ዘለዉ። እንተኾነ ግን እኹል ኣይኮነን” ዝበለ እቲ ላዕለዋይ ሓላፊ፡ ኣብ ገለ ገለ ከባቢታት ካብ ዘጋጠመና ናይ ድሕነት ጸገም ወጻኢ ናብ ትግራይ ረድኤት ከይንእቱ እገዳ ኣይተገበረልናን ኢሉ። ኣብ ትግራይ ክሳብ ሕጂ ከም ኤሌክትሪክ፣ ቴሌን ባንክን ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ከምዘይጀመሩ ይፍለጥ። ሕጽረት ነዳዲ ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊ መደብ ምግቢ ዓለም ኣድሪያን ቫንዳክናብ፡ ሕፅረት ነዳዲ ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ካልእ በዳሂ ጉዳይ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ ኣብ መላእ ሃገር ሕፅረት ነዳዲ ከምዘሎ ብምዝኽኻር፡ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ድማ’ቲ ሕፅረት ኣብ ምክፍፋል ሰብኣዊ ሓገዝ ኣሉታዊ ፅልዋ የሕድር ከምዘሎ እውን ሓቢሩ። ኣድሪያን ቫንዳክናብ፡ \"ቀረብ ነዳዲ ኣብታ ሃገር ይመሓየሽ ኣሎ፤ ኣብ ትግራይ ወርሓዊ ዘድሊ 2 ሚልዮን ሊትሮ ነዳዲ፡ ከመይ ጌርና ከም ነብፅሕ ምስ ሰበስልጣን ንሰርሕ ኣለና” ኢሉ።\\nውድብ ምግቢ ዓለም ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ንዝርከቡ ብዙሓት ሰባት’ውን መሰረታዊ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘቕረበ ይዛረብ። እቲ ኲናት ዘስዓቦ ቅልውላው ኣብ ክልል ትግራይ ተጀሚሩ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝለሓመ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዓብዪ ሰብኣውን ንዋታውን ኪሳራ ኣስዒቡ እዩ። ኣብ ሰለስቲአን ክልላታት ብውሕዱ 9 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። እዚ ኲናት ስዒቡ፡ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈጸመ’ውን ጸብጻበት ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ። ሰራዊት ጎረቤት ሃገር ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን፡ ጎኒ ጎኒ ሓይልታት ምክልኻል ሃገር፡ ተሰሊፎም ንሓይልታት ትግራይ ከጥቅዑ ጸኒሖም እዮም። ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ወገናት፡ ምቕታል፣ ስቅያትን ማእሰርትን ሲቪላት፤ ጾታ መሰረት ብምግባር ንዝፍጸም ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተሓተትቲ ምዃኖም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይኸሱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣወጆ ‘ዘይዕላዊ ዕጽዋ’ ስዒቡ፡ ኣብታ ክልል ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ንሓደጋ ጥሜት ከምዘተቓልዑ ይንገር። ድሕሪ ናይ 20 ኣዋርሕ ደማዊ ኩናት፡ ህወሓትን ፌደራል መንግስትን ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ንዘለዎም ፍልልያት ንምፍታሕ ዘተ ሰላም ከካይዱ ጀሚሮም ኣለው።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cz4q4d2rqn2o"} {"headline":"ማእከላይ መንግስትን ህወሓትን ብሓቂ'ዶ ድሌት ዘተ ኣለዎም'ዩ?","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ናብ ሰላማዊ ዝርርብ ዝገብሩዎ ጕዕዞ ማሕለኻታት ዝበዝሖ ኰይኑ ኣሎ። ክልቲኦም፡ ንዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ጉዳይ ዘተ ሰላም ኣብ ዝምልከት ዛዕባ ዘለዎም መርገጽን ፍልልያትን ብዝተፈላለየ መገዲ ከንጸባርቝ ጸኒሖም እዮም። ትማሊ 24 ነሓሰ ንግሆ ኸኣ፡ ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ፡ ሰራዊት ፈደራል ምስ ሓይልታት ኣምሓራ ሓቢሩ ብግንባር ደቡብ መጠነ ሰፊሕ ኵናት ከፊቱልና ክብል ከሲሱ። መንግስቲ ፈደራል ግን ነቲ ክሲ ብምንጻግ፡ ሓይልታት ትግራይ ነቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ብምጥሓስ ነቲ ኲናት ጀሚሮምዎ ኣለው ይብል። ቅድሚ ሰሙን'ውን ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ መንግስቲ ፈደራል ብሸነኽ ደደቢት ብኸቢድ ብረት ደብዲቡና ክብል ንዘቕረቦ ክሲ መንግስቲ ፈደራል ነጺጕዎ ነይሩ። ክልቲኦም ወገናት ኣብ መኣዲ ዘተ ቀሪቦም ክዘራረቡ ድልውነቶም ካብ ዝገልጹ ንደሓር፡ ሓንሳብ ብጉዳይ ኣሸማገልቲ ካልእ ሳዕ ቅድሚ ሽምግልና ብዝቐርብ ቅድመ ኩነት ክሰሓሓቡ ድሕሪ ምጽናሕ እዮም ሕጂ ናብ ሰፊሕ ውግእ ኣትዮም ዘለው። እዚ ፍጻመታት ከኣ፡ ‘ንምዃኑ’ኸ እዞም ክልተ ሓይልታት ናይ ብሓቂ ሰላማዊ ዘተ ይደልዩዎ ድዮም?’ ዝብል ሕቶ ከልዕል ባህሪያዊ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኮሚቴ ሰላም መንግስቲ ፌደራል፡ ኣብ ዝቕጽል ሒደት ሳምንታት፡ ኣብ ምቍራጽ ተጻብኦ ዘድሃበ ዘላቒ ሰላም ዘምጽእ ዝርርብ ብዘይ ቅድመ ኵነት ክጅመርን እቲ ጉዳይ ብሃገራዊ ዘተ ክፍታሕ ዝብል ሰለስተ ነጥብታት ዝሓዘ እማመ ኣቕሪቡ። ድሕሪ እቲ መግለጺ ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ፡ “ምምሕዳር ኣቢይ ዘቘሞ ኮሚቴ ሰላም፡ [መርኣያ እቲ] ንማሕበረሰብ ዓለም ንምትላል ዝገብሮ ጻዕሪ፡ ሓይልታት መንግስቲ ተዅቲኾምና ኣለው” ክብል ብትዊተር ሓቢሩ። ዳይረክተር ማእከል ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ያሬድ ሃይለማርያም፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ክልተ ተራጸምቲ ሓይልታት ናብ ድርድር ክኣትው እንከለው፡ ማሕለኻታት ከም ዘጋጥም ብምሕባር፡ እቲ ክልቲኦም ወገናት ዘልዕሉዎም ዘለው ሕቶታታት ኣብ ካልኦት ጐንጽታት’ውን ዝተለምዱ እዮም ኢሉ። “ኣደራዳሪ መን ይዅን? እቲ ዘተ ኣበይ ይዅን? ኣበየኖት ጉዳያት’ከ ንደራደር? ዝብሉ ሕቶታት ምልዓሎም ኣይተርፍን። ሓሓሊፉ እውን ምኽንያት ይኸውን’ዩ፤ እዚኦም ከኣ ሓሓሊፉ ቅኑዓት ምኽንያታት ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም” ኢሉ። ኣብ ትግራይ ክሳብ ሕጂ፡ ኣገልግሎት ስልኪ፡ ባንኪ፡ ቴሌኮምን ካልኦት መሰረተ ልምዓታትን ተቛሪጾም’ዮም። መራሕቲ ትግራይ፡ እቲ ዝርርብ ቅድሚ ምጅማሩ እዞም መሰረታዊ ኣገልግሎታት ዳግም ክጅመሩ ይሓትት። እዞም ኣገልግሎታት ብቕልጡፍ ስራሕ ክጅምሩ ዘኽእል ስምምዕ እንተሃለወ’ውን፡ መንግስቲ ፌደራል እቶም ዝተቛረጹ ኣገልግሎታት ንምጅማር ቀንዲ ማሕለኻ ዝዀነ ነገር ኣብ ልዕሊ ንጽገና ዝዋፈሩ ሰራሕተኛታት ዝፍጸም መጥቃዕቲ’ዩ ይብል። ኣብ መጀመርታ ወርሒ ነሓሰ ግን፡ ፕረዚደንት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብልኡኻት ሕብረት ኤውሮፓን ኣሜሪካን ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ዝልኣኾ ደብዳበ፡ ድሕነት እቶም ንጽገና ዝመጽኡ ሰራሕተኛታት ክሕሎ’ዩ ምባሉ ይዝከር። ፕሬስ ሰክረታሪያት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም፡ እቶም ዝተቛረጹ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንኽጅመሩ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ህወሓት ንዝርርብ ክፍ ክብል ጸቕጢ ክገብር ኣለዎ ኢላ። ኣቶ ያሬድ ግን፡ ክልቲኦም ወገናት ዕርቅን ሰላምን ዝደልዩ እንተዀይኖም፡ ኣብዞም ጉዳያት ንምድርዳር ድልውነት ምርኣይ ንርእሱ እቲ ድርድር ከም ዝተጀመረ መርኣያ ክኸውን ምኽኣለ ይብል። “እዞም ሕቶታት ናይ መስርሕ ሕቶታት’ዮም። ብመንጽር ኣብ ድርድር ዝለዓሉ ሓሳባት እንተርኢናዮ ድማ፡ ውሑዳት ዝበሃሉ ሕቶታት’ዮም። ይዅን’ምበር እቲ ሓደ ሸነኽ ከንሳሕብ እንከሎ፡ ካብ መጀመርታኡ ኣትሒዙ ድልየት ከም ዘይነበሮ ዘርኢ’ዩ” ይብል። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ‘ክልተ ጭዋታት ክጐራፈጡ እንከለው’ዩ ዕርቂ ዝህሉ’ ዝብል ኣቶ ያሬድ፡ “ካብ ሞንጐ እቶም ተደራደርቲ ሓዲኡ’ኳ ቅንዕና እንተዘይሃሊዩዎ፡ እዞም ሕቶታት እንተተመለሱ’ውን ብኻልእ ምኽንያት ጸገም ምፍጣሩ ኣይተርፍን” ኢሉ። ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን ናብ ዝርርብ ቅድሚ ምእታዎም፡ ዘይሰማምዑሎም ጉዳያት ክህልው ከም ዝኽእሉ ክዝረብ ጸኒሑ’ዩ። “ኣዝዮም ዝተሓላለኹ ጉዳያት፡ ቅድመ ኵነት ዝርርብ ኰይኖም ክቕመጡ የብሎምን። እዞም ሕቶታት እንተተመሊሶም እቲ ድርድር እንታይ ክኸውን ይኽእል? ምኽንያት እቲ ጐንጺ ዝዀኑ ጉዳያት ኣካል እቲ ድርድር እዮም። ስለዚ እዚኦም ነቲ መስርሕ ከተዓናቕፉዎ ተኽእሎ ኣለዎም” ይብል ኣቶ ያሬድ። እቲ ዝርርብ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝጓተት እንተዀይኑ፡ “ብኽልቲኡ ሸነኽ ዕጡቕ ሓይሊ ስለ ዘሎ ምናልባት ካብቲ ዝሓለፈ ዝኸፍአ ጐንጺ ክንርኢ ንኽእል ኢና” ዝብል ስግኣት እውን ኣለዎ። ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ንቢቢሲ ርእይቶኡ ዝሃበ ተንታኒ ፖለቲካ ምብራቕ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዓብዱልራሕማን ሰይድ ኣቡሓሽም ብወገኑ፡ ክልቲኦም ኣብ ረጽሚ ዘለው ወገናት ድሕሪ’ቲ ንኽልተ ዓመታት ዘካየድዎ ኲናት ኣብ ዕረፍቲ ዘለው እምበር ንልዝብ ዝኸውን ምድላው ዝገብሩ ዘለው ኣይመስሉን ኢሉ ነይሩ። “እቲ ኲናት ብዓወት ሓደ ሓይሊ ስለ ዘይተወድአ፡ ናብ ናይ ሰላም ድርድር ዝኣትውሉ ዘለው ምኽንያት ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ብዝበጽሖም ዘሎ ጸቕጢ ዝብገስ እምበር ፈትዮም ዝኣተውዎ ኣይመስልን። ክልቲኦም ወገናት ንሰላም ዘለዎም ድልውነት ኣብ ሕቶ ምልክት’ዩ ዘሎ” ክብል ርእይቶ ሂቡ። ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዘሎ ዘይምትእምማን ዓቢይ ማሕለኻ እዩ ዝብል ፈጻሚ ስራሕ ቲንክ-ታንክ ኢንስቲትዩት ፖሊሲ ኣፍሪቃን ምሁር ዩኒቨርሲቲ ናይሮቢን ፕሮፌሰር ፒተር ካግዋንጃ፡ ኲናት ትግራይ ብባህሪኡ ዝተፈለየ’ዩ ይብል። “እቶም ሕጂ ኣብ ረጽሚ ዘለው ኣካላት ኣብ ሓደ እዋን መላፍንቲ ዝነበሩ’ዮም። ኣቢይ ኣሕመድ ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ብዝነበሩ ኣመራርሓ ህወሓት ዝሰልጠነ መራሒ’ዩ። ስለዚ እቲ ጐንጺ፡ ኣብ መንጐኦም ብዘሎ ምጥርጣር፣ ቅንዕና ዘይብሉ ድልየትን ዝተዓጸፈ እምነትን ዝገልጽ’ዩ። ስለዚ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሓደ ነገር ንኽሰማምዑ ዘኽእሎም ምትእምማን ንኸማዕብሉ ግዜ ከድልዮም’ዩ” ኢሉ። ክልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት ንሓድሕዶም ምክሳስ ጀሚሮም ኣብ ዘለውሉ ህሞት፡ መንግስቲ ፌደራል ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦ ንኽግበር ሕብረት ኣፍሪቃ እቲ ዝርርብ ሰላም ክጅመር ሓቲቱ ኣሎ። ኮሚቴ ሰላም መንግስቲ ፌደራል፡ እቲ ዝርርብ ዝካየደሉ ቦታን ግዜን ብቕልጡፍ ተወሲኑ ድርድር ንኽጅመር ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ብቐረባ ይሰርሕ ምህላው ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ ነይሩ። ህወሓት ግን፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ’ቲ ብሸነኽ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሊቃ ኦሊሰንጎን ኦባሳንጆ ዝግበር ዝዀነ ዓይነት ዝርርብ እምነት የብለይን ብምባል፡ እቲ ዝርርብ ኬንያ ክትመርሖን ኣብ ናይሮቢ ክካየድን ዘለዎ ድልየት ከንጸባርቕን ልኡኻቱ ናብ ናይሮቢ ንክልእኽ ድሉው ከም ዝዀነን’ዩ ክገልጽ ጸኒሑ። ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ፡ ንጋዜጠኛታት እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ መብርሂ “ኣብ ልዕሊ ኦባሳንጆ ከም ሰብ ዝዀነ ዓይነት ጸገም የብልናን፤ እወንታዊ ተራ እንተዝጻወት ደስ ይብለና። ግን ዝዀነ ዓይነት ፍኖተ ካርታ የብሉን” ክብል ተዛሪቡ። ኬንያ፡ ኣባል ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ኣፍሪቃ ከምኡ’ውን ዘይቀዋሚት ኣባል ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምዃን፡ ንማሕብረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክትመርሕ ምጽንሓ፡ ጐንጺ ኢትዮጵያ ኣብ ምፍታሕ ዓቢይ ተራ ዘለዋ ሃገር ኰይና ክትውሰድ ከም ዝገበራ ኣብ ናይሮቢ ፈጻሚ ስራሕ ቲንክ-ታንክ ኢንስቲትዩት ፖሊሲ ኣፍሪቃን ምሁር ዩኒቨርሲቲ ናይሮቢን ፕሮፌሰር ፒተር ካግዋንጃ ይዛረብ። “እቲ ኲናት ምስ ተጀመረ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ መጀመርታ ናብ ኬንያ’ዩ መጺኡ። ብድሕሪኡ ድማ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ልኡኻት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሰዲዳ ብዛዕባ እቲ ኵነታት ንኬንያ ከተረድእ ጸኒሓ። ስለዚ ኬንያ ነዚ ኲናት ጋሻ ኣይኰነትን” ይብል። መንግስቲ ኡህሩ ኬንያታ፡ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃን ምዕራብን ዓቢይ ዲፕሎማሲያዊ ዓቕሚ ፈጢሩ’ዩ ዝብል ፕሮፌሰር ካግዋንጃ፡ እቲ ፕረዚደንት’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ሰላም ዝርርባት ብምስታፍ ናእዳ ከምዘትረፈ ገሊጹ። ንኣብነት፡ “ዝርርብ ሰላም ቡርንዲ ብምምራሕ ከምኡ’ውን ኣብ ኮንጐ ኣብ ዝነበረ ዝርርብ ሰላም ብምስታፍ ኣብታ ሃገር መረጻ ንክካየድ ዓቢይ ተራ ነይሩዎ። በዚ ምኽንያት፡ ፕረዚደንት ኬንያታ ኣብ ኣፍሪቃ ቀንዲ ሽማግለ ሰላም ስለ ዝነበረ ኬንያ ተስፋ ዝግበረላ ሃገር ከምእትኸውን ገይሩ’ዩ”። ካብዚ ብምብጋስ፡ ኬንያ ክልቲኦም ወገናት እምነት ዘሕድሩላ ሃገር ስለ ዝዀነት እቲ ድርድር ክትመርሖ’ያ ዝብል ግምት ከም ዘለዎ ተዛሪቡ። ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ያሬድ ብወገኑ፡ ኬንያ ቅድሚ እቲ ሃገራዊ መረጻ፡ ንኲናት ኢትዮጵያ ዝምልከት ዝነበራ ጻዕሪ ከም ሃገር ድዩ ወይስ ከም ውልቂ ፕረዚደንት ኡህሩ ኬንያታ? ዝብል ሕቶ ኣገዳሲ’ዩ ይብል። “ሃገራት ምዕራብ፡ ብምኽንያት እዚ ጐንጺ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክመጽኡ እንከለው ንናይሮቢ ከይበጽሑ ኣይምለሱን። ብፍላይ ኣሜሪካ፡ ኬንያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተዛማዲ ርግኣትን ሰላምን ዘለዋ ሃገር ስለ ዝዀነት ናብዚ ሰላም ዘምጽኣታ ይመስለኒ”። ኬንያ ከም ሃገር ዝተጻወተቶ እጃም እንተነይሩ፡ እቲ ጻዕሪ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሓድሽ ፕረዚደንት እታ ሃገር’ውን ክቕጽል ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ከም ዘለዎ ተዛሪቡ። ፕሮፌሰር ካግዋንጃ ድማ፡ ኬንያ ሓድሽ ፕረዚደንት ብምምራጻ፡ “ብናተይ እምነት ዝቕይሮ ነገር የለን” ይብል። እቲ ምሁር፡ ንዝሓለፉ 10 ዓመታት ከም ምኽትል ኬንያታ ኰይኑ ዘገልገለ ተመራጺ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ኣብ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ለውጢ ክገብር ይኽእል’ዩ ኢሉ ከም ዘይኣምን ይዛረብ። ይዅን እምበር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኮሚሽን መረጻ ኬንያ፡ ውጽኢት እቲ መረጻ ወግዓዊ ምስ ገበረ፡ ነቲ ውጽኢት ዘይተቐበለ ተነሓናሒኡ መራሒ ሰልፊ ተቓውሞ ዝነበረ ራይላ ኦዲንጋ፡ ብሰኑይ ናብ ቤት ፍርዲ ጥርዓን ኣቕሪቡ ኣሎ። እቲ ቤት ፍርዲ ድማ፡ እቲ ጥርዓን ካብ ዝቐረበሉ ኣብ ውሽጢ 21 መዓልታት ውሳነ ክህብ ትጽቢት ይግበር። በዚ መሰረት፡ እቲ ቤት ፍርዲ ንውጽኢት እቲ መረጻ እንተሰሪዙዎ  ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ሓድሽ መረጻ ንክካየድ ትእዛዝ ከመሓላልፍ’ዩ። እቶም ተራጸምቲ ሓይልታት፡ እቲ ዝርርብ ኣብ ኬንያ ንክካየድ እንተተሰማሚዖም፡ እዚ መስርሕ ቤት ፍርዲ ምናልባት ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ ነቲ ዘተ ከደናጉዮ ከም ዝኽእል እቲ ምሁር ይዛረብ። ኣብዚ ደረጃ ንክበጽሑ ግን፡ ኣብ ሞንጐ ክልቲኦም ተደራደርቲ ሓይልታት ዘሎ ናይ ዘይምትእምማን ጸገማት ዓቢይ ማሕለኻ ክኸውን ከም ዝኸእል ስግኣቱ ይገልጽ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ብ21 ነሓሰ 2022 ካብታ ሃገር ምስ ዝተወዋጽኡ መናእሰይ ኣብ ዝነበረ ናይ ዘተ መድረኽ  ንኵነታት ትግራይ ዝምልከት ሕቶ ቐሪብሉ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ መንግስቲ  ሰራዊት ምክልኻል ፈደራል ናብ ትግራይ ንከይኣቱ ‘በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ’ ከምዘካየደ ብምሕባር እቲ ጸገማት ብሰላም ጥራይ እዩ ክፍታሕ ዝኽእል ምባሉ ይዝከር። “እቲ መፍትሒ ኮፍ ኢልካ ምዝርራብ’ዩ . . . ኲናት ተፈቲኑ’ዩ . . . ድሕሪ ሕጂ ግን ወያነ ዝደለዮ ሓገዝ፣ ዝደለዮ ሓይልን ከላሽንን እውን እንተሰለፈ ክስዕር ኣይኽእልን’ዩ። ምኽረይ ኲናት ይኣኽለና ዝብል’ዩ። ንሰለስተ ዓመት ካብ እንዋጋእ ን30 ዓመታት እንተንዘራረብ ይሓይሽ” ከኣ ኢሉ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cxxpx3re6z5o"} {"headline":"ኣልሸባብ፡ ኣብ መካይን ረዲኤት ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 20 ሰባት ተቐቲሎም","content":"ኣልሸባብ ኣብ ሶማልያ ግዝኣት ሂራን ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዝጸዓና መካይን ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ብውሑድ 20 ሰባት ከምዝሞቱን፡ እቲ ሓገዝ ምግቢ ከምዝዓነወን ተገሊጹ። ኣመሓዳሪ እታ ክልል ንቢቢሲ ሶማል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ሰባት ኣብ መኪና እናሃለዉ ፈንጂ ኣእትዮም ፈንጂሮም” ኢሉ። እስላማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ኣልሸባብ ግን ደጋፊ መንግስቲ ንዝዀነ ዕጡቕ ጕጅለ ዒላማ ከምዝገበረ ገሊጹ ኣሎ። ሶማልያ ኣብ ዓሰርተ ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ድርቂ ኣጋጢምዋ ከምዘሎ ሰብሞያ ይሕብሩ። ስግኣት ናይቲ ንማእከላይ መንግስቲ ከውድቕ ዝቃለስ ዘሎ ጉጅለ ኣልሸባብ'ውን እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ። ምስ ኣልቓዒዳ ርክብ ዘለዎ ኣልሸባብ፡ ንመብዛሕትኡ ክፋል ደቡባውን ማእከላይን ሶማልያ ዝቈጻጸር ኰይኑ፡ ናብ ግዝኣት እቲ ኣብ ሞቓድሾ ማእከል ዝገበረ መንግስቲ ግን ጽልዋኡ ውሑድ እዩ። እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ሓደ ሆቴል ሞቓድሾ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 20 ሰባት ቀቲሉ እዩ። ኣመሓዳሪ ክልል ሂራን ዓሊ ዑስማን፡ ቍጽሪ ግዳያት ናይቲ ብዓርቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክውስኽ ከምዝኽእል ክሕብር እንከሎ፡ ዛጊት 27 ከምዝበጽሑ ዝሕብሩ ጸብጻባት እውን ኣለዉ። እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ኣንጻር ህዝቢ ይቃለስ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ኣመሓዳሪ፡ ዓድታት ከምዘቃጸለን ዒላታት ማይ ከምዘዕነወን ይገልጽ። ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኣብታ ሃገር ግብረ ሽበራ ንምቅላስ ኵሎም ኣማራጺታት ከምዝጥቀም ገሊጹ ኣሎ። ኣልሸባብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እተን ምግቢ ዝጸዓና መካይን ንመንግስቲ ደጊፎም ኣንጻሩ ናብ ዝዋግኡ ዕጡቓት ጕጅለታት ይኸዳ ምንባረን ሓቢሩ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ፡ ዛጊት ኣብ ሶማልያ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ዘፈናቐለ ኰይኑ፡ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ገና ዝኸፍአ ይመጽእ ከምዘሎ የጠንቅቕ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cevkknnzyzyo"} {"headline":"ኣብ ክልል ዓፋር ልዕሊ 1.3 ሚልዮን ሰባት ንሕጽረት መግቢ ከምዝተቓልዑ ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ዓፋር ኢትዮጲያ ብኲናትን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋን ልዕሊ 1.3 ሚልዮን ሰባት ንሕጽረት መግቢ ከም ዝተቓልዑ ተገሊጹ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ሓደጋን ውሕስነት መግብን ክልል ዓፋር ኣቶ መሓመድ ሑሴን ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ ኣብቲ ክልል ዘጋጠሙ ድርቂ፡ ሓደጋ ውሕጅን ኲናትን ልዕሊ 1.3 ሚልዮን ሰባት ንከቢድ ሕጽረት መግቢ ኣቃሊዖም። ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም (ኤምኤስኤፍ) ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ክልል ዓፋር እናገደደ ዝመጽአ ቅልውላው መግቢ ሻቕሎት ከም ዝፈጠረሉ ሓቢሩ እዩ። እቲ ትካል ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት መሰረታዊ ዝበሃሉ ማእከላት ሓለዋ ጥዕናን ጽሩይ ዝስተ ማይን ኣብ ዘይብሉ ኵነታት ይነብሩ ከም ዘለዉን ብዙሓት ህጻናት ብኸቢድ ሕጽረት መግቢ ይሞቱ ከም ዘለዉን'ውን ሓቢሩ። ዋላ'ኳ ኣቶ መሓመድ ብሕጽረት ምግቢ ዝሞቱ ህጻናት ብዛዕባ ምህላዎም “ሓበሬታ የብለይን” እንተበለ፡ ካብቶም ሓገዝ ምግቢ ዘድልዮም 1.3 ሚልዮን ሰባት፡ ካብ መንግስትን ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ሓገዝ ዝረኽቡ ዘለዉ እቶም ልዕሊ 900 ሽሕ ሰባት ጥራሕ እዮም ኢሉ። “ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ፡ ን340 ሽሕ ሰባት ሓገዝ ምብጻሕ ኣይተኻእለን። ነቶም ሰብኣዊ ሓገዝ ዘይበጽሖም ወገናት ንምሕጋዝ ንዓለምለኻዊ ትካላት ሓገዝ ክገብሩ ኣፍሊጥናዮም ኣለና” ኢሉ። “መንግስቲ ብዝተኻእለ መጠን ሓገዝ የቕርብ ኣሎ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ን 630 ሽሕ ህዝቢ መዓልታዊ ቀለብ የቕርብ ኣሎ።” ብተወሳኺ ኣስታት 100 ሽሕ ህጻናት ሃናጺ መግቢ ይቐርበሎም ከም ዘሎ ኣቶ መሓመድ ተዛሪቡ። ኣቶ መሓመድ ከም ዝሕብሮ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኲናት ትሕተ ቕርጺ ስለ ዝዓነወን ንብረት ስለ ዝተዘምተን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብዚ እዋን ኣብ መዕቆቢ ክጸንሑ ተገዲዶም እዮም። ኤምኤስኤፍ ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ካብ ዝርከቡ ማእከላት ኣገልግሎት ጥዕና፡ እቶም 20 ሚእታዊት ጥራይ ኣገልግሎት ይህቡ ከም ዘለዉ ገሊጹ እዩ። እንተዀነ እቲ ኣብ ክልል ዓፋር ዘሎ ቅልውላው ካብዚ ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ብምሕባር ትካላት ረድኤት ብቕልጡፍ ኢደን ከእትዋ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd10lmy004ro"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልል ዓፋር ይወጹ ከምዘለዉ ተገሊጹ","content":"ሓይልታት ትግራይ፡ ነቲ ተቘጻጺሮምዎ ዝጸንሑ ቦታታት ክልል ዓፋር ምሉእ ብምሉእ ለቒቘም ከም ዝወጽኡ፡ ኣፈኛ ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ከም ዘፍለጠ ሮይተርስ ሓቢሩ። ኣቶ ጌታቸው፡ ኣብቲ ትማሊ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ \"ሰራዊትና ካብ መላእ ዓፋር ለቒቝ ወጺኡ'ሎ፡\" ክብል ኣፍሊጡ። እንተኾነ ግን፡ ካብ ዝበዝሕ ከባቢታት'ኳ እንተወጹ፡ ካብቲ ክልል ጠቕሊሎም ከምዘይወጹ ሰብመዚ ክልል ዓፋር ገሊጾም። ሓላፊ ጸጥታን ሰላምን ክልል ዓፋር ኢብራሂም ሑመድ መሓመድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ኣራጁን ሂዳን ዝተባህሉ ከባቢታት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ከባቢ ኣብዓላ ከምዘለዉ ተዛሪቡ። ኣድላይነት ናይዚ ስጕምቲ'ዚ፡ ናብታ ኣብ ምሉእ ዕጽዋ እትርከብ ትግራይ፡ ብዘይዕንቅፋትን ብዘተኣማምን መገዲን ዘድሊ ሰብኣዊ ረዲኤት ንምብጻሕ ምእንቲ ኽከኣል ምዃኑ፡ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የመልክት። ህወሓት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ካብ ክልል ዓፋር ምሉእ ብምሉእ ንምውጻእ፡ መስርሕ ምእታው ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረዲኤት [ንትግራይ] ክካየድ፣ ከምኡ'ውን ኵሎም ተቛሪጾም ዘለው መሰረታዊ ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ትሕተቕርጽን ንቡር ስርሖም ክጅምሩን፡ ዝብሉ ዝተወሰኑ ነጥብታት ከም ቅድመ ዅነት ኣቐሚጡ ምንባሩ ይዝከር። ኣብቲ መግለጺ፡ ከም ቅድመ-ዅነት ካብ ዝሰፈሩ ነጥብታት፡ ንህዝቢ ትግራይ ወሳኒ ዝዀነ ሰብኣዊ ረዲኤት ንምትሕልላፍ ዘኽእል ዘተኣማምን መተሓላለፊ ኮሪደር ክህሉ፣ ዘላቒ፡ ዘይተገደበ፡ እዋኑ ዝሓለወን እኹልን ረዲኤት ንምቕራብ ዘኽእል መስርሕ ክፍጠርን፣ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ጸኒዑ ዘሎ እገዳ ክለዓልን ኣድላዪ ማሕበረ-ቁጠባዊ ኣገልግሎት ክምለስን ከም ዝግባእ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ገሊጹ እዩ። ድሕሪ'ቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን፡ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ዝለሓመን ኲናት፡ ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት መብራህቲ፡ ማይ፡ ቴሌፎን፡ መጓዓዝያ፡ ኣገልግሎት ባንክን ካልኦት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ተቋሪጾም ኣለው። ነዚ፡ ብወገን ህወሓት ዝተነግረ፡ ምሉእ ብምሉእ ካብ ክልል ዓፋር ወጺኦም ከም ዘለው ዝነግር መግለጺ ንምርግጋጽ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ፌደራልን ዝተገብረ ተደጋጋሚ ደወል ቴሌፎን፡ ዛጊት ክሰልጥ ኣይከኣለን። እንተዀነ፡ ቤት ጽሕፈት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ፡ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ረዲኤት ዝጸዓና 74 መካይን ትካል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ናብ ትግራይ ከም ዝተበገሳ ብምግላጽ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምሉእ ብምሉእ ክወጹ ጻውዒት ኣቕሪቡ ነይሩ። ኣብ ርእሲ'ዚ እቲ መግለጺ መንግስቲ፡ እተን ቅድሚ ሕጂ ናብ ትግራይ ዝኸዳ'ሞ ገና ዘይተመልሳ ዘለዋ 1025 ዓበይቲ መካይን ጽዕነት ክምለሳ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ጸቕጢ ክገብር ይጽውዕ። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ካብ ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ዓፋር ኣሕመድ ሓሪፍ ዝረኸቦ ቃል፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ከተማ ኣብዓላ ዝወጹ'ኳ እንተዀኑ፡ ኣብ ካልኦት ሰለስተ ወረዳታት ከም ዘለው ዝገለጽ እዩ። ብተወሳኺ እቲ ኮሚሽነር ፖሊስ፡ ካብ ሰበስልጣናትን ኣባላት ሚሊሻን 'ቲ ከባቢ ረኺበዮ ዝበሎ ሓበሬታ ምርኵስ ብምግባር፡ ሓይልታት ትግራይ ነቲ ቀንዲ ንኣብዓላን መቐለን ዘራኽብ ጽርግያ ተቘጻጺሮም ከም ዘለው፡ ንሮይተርስ ገሊጹ'ሎ። ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ክልል ዓፈር ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ቦታታት፡ ካብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ ኣቢሉ ከም ዝተቘጻጸርዎም ይፍለጥ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮሙኒኬሽን ክልል ዓፋር፡ ኣቶ ኣሕመድ ኻሎይታ፡ ሓይልታት ትግራይ ንሓሙሽተ ወረዳታት 'ቲ ክልል ከም ዝተቘጻጸሩ ቅድም ክብል ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር። ኣብ ዞን 'ኪልበቲ ረሱ' ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ዝጸንሓ ሓሙሽተ ወረዳታት፣ ኣብዓላ፡ መጋሌ፡ ኢሬብቲን ብራሕለን እየን። ቅድሚ ሒደት ሳምንቲ፡ ናብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ረዲኤት ብዝቐልጠፈ መገዲ ንኽበጽሕ ብዝብል ዕላማ፡ መንግስቲ ፌደራል፡ ግጭት ደው ናይ ምባል ውሳነ ከም ዘሕለፈ ኣይርሳዕን። ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ እኹል ረዲኤት፡ 'ቅቡል ኣብ ዝዀነ ግዜ' ዝበጽሕ እንተዀይኑ፡ ነቲ ምቍራጽ ግጭት ከም ዘኽብርዎ ኣፍሊጦም እዮም። ብመሰረት'ዚ ምዕባለታት ከኣ፡ ሓይልታት ትግራይ ኢሬብቲ ካብ ዝበሃል ቦታ ክልል ዓፋር ከምዝወጽኡ ሰበስልጣን ትግራይ ክገልጹ እንከለው፣ ናብዚ ውሳነ'ዚ ዝተበጽሐ ንሰብኣውነት ተባሂሉ ዝተበጽሐ ስምምዕ ክኽበርን፡ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረዲኤት ንትግራይ ክበጽሕ ተባሂሉ ምዃኑን ምግላጾም ይዝከር። ድሕሪ'ዚ ብኽልቲኦም ወገናት ዝተበጽሐ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስጕምቲ፡ ምስተን ናይ ትማሊ ተደሚሩ 144 ረዲኤት ዝጸዓና መካይን ናብ ትግራይ በጺሐን ከም ዘለዋ፡ ጸብጻብ ትካል ፕሮግራም መግቢ ዓለም'ውን ዘመልከተ ክኸውን እንከሎ፣ እዚ ረዲኤት ግን፡ ገና ናብቶም ብሚልዮናት ዝግመቱ ተጸበይቲ ብምልኣት ክባጻሕ ኣይተኻእለን ዘሎ። ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ንነዊሕ ግዜ ዝቐጸለ ምቝራጽ ሰብኣዊ ረዲኤት፡ ኣብዚ እዋን ዝድለ መጠን ረዲኤት ብሰለስተ ዕጽፊ ስለ ዝወሰኸ፡ ኣብ መዓልቲ 300 መካይን ረዲኤት ከም ዘድሊን፡ ምስ ትካላት ተራድኦን ስምምዕ ከም ዝተበጽሐን፡ ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ረዲኤት እዋን ሓደጋ - ትግራይ ዝሐለፈ ሰሙን ገሊጹ። ኣብ ትግራይ፡ 400 ሽሕ ሰባት ኣብ ኣፈፌት ሓደጋ ጥሜት ከም ዝርከቡን፡ ሚልዮናት ድማ ህጹጽ ረዲኤት መግብን መድሃኒትን ከም ዘድልዮም ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ትግራይ ተወሊዑ፡ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝለሓመ ደማዊ ኲናት፡ ሂወት ኣሽሓት ሰባት ቀዚፉ፣ ሚልዮናት ካብ መነባብሮኦም ኣመዛቢሉን፡ ጠንቂ ዝተፈላለየን ሰፊሕን ሰብኣዊ ቅልውላውን ኰይኑ ይርከብ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጸብጻባቱ፡ 10 ሚልዮን ዝግመት ኣብ ሰሜን ኢትዮጲያ ዝነብር ህዝቢ፡ ተጸባዪ ሰብኣዊ ረዲኤት ኰይኑ ከም ዘሎ፣ ካብዚ እቲ ልዕሊ ፍርቂ ዝኸውን ድማ ኣብ ትግራይ ዝነብር ምዃኑን የመልክት። እዚ ዓሰርተው ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣቝጺሩ ዘሎ ኲናት መዕለቢ ክርከቦ፡ ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ዝተፈላለያ መሻርኽቲ ሃገራትን ውድባትን ይጽዕራ ኣለዋ። እዚ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጲያን ሓይልታት ትግራይን፡ ንሰብኣውነት ካብ ዝብል ዕላማ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል፡ ነቲ ደማዊ ኲናት ክቘጽን ኣፍደገ ሰላም ክኸፍትን ዘኽእል ዝርርብ ንምግባር ዘኽእል ክኸውን ተስፋ ተነቢሩሉ'ሎ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61228885"} {"headline":"ብሊንከን፡ ንሰሜን ኢትዮጲያ ዝግበር ‘ምምሕያሽ ዘርእይ’ ዘሎ ሰብኣዊ ረዲኤት ኣድኒቝ","content":"ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ነቲ ንሰሜን ኢትዮጲያ ዝግበር ዘሎ ሰብኣዊ ረዲኤት ይመሓየሽ ኣሎ ብምባል ኣድናቖቱ ገሊጹ። ብሊንከን ኣብቲ ትማሊ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ ቀረባ እዋናት ንነጀው እቲ ንሰሜን ኢትዮጲያ ዝቐርብ ዘሎ ሰብኣዊ ረዲአት ስሩዕን ቀጻልነቱ ዝሓለወን እናዀነ ምምጻኡ ብምንኣድ ኣድናቖቱ ገሊጹ። ብመሰረቲ’ዚ ትማሊ ዝተዋህበ መግለጺ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሸውዓተ መዓልታት ጥራይ፡ ሓደ ሽሕን ሓደ ሚእትን ረዲኤት ዝጸዓና መካይን ትግራይ ኣትየን ኣለዋ። እዘን መካይን፡ መሰረታውያን ሃነጽትን ዝበሃሉ መግብታት፡ ናውቲ ሕክምና ከምኡ’ውን ኣድለይቲ ዝበሃሉ ነገራትን ዝጸዓና ምዃነን እቲ መግለጺ ወሲኹ ይጠቅስ። ብሊንከን፡ እዚ ረዲአት ናብቶም ግዳያት ንኽበጽሕ መንግስቲ ፈደራል፡ ምምሕዳራት ክልላት ዓፋርን ትግራይን ዝገበርዎ ውሁድ ምትሕብባር ንኢዱ’ሎ። ኣብ ርእሲ ‘ዚኦም ብሊንክን፡ ንትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዓለምለኻውያን ትካላት ወሃብቲ ረዲኤትን ንስለ ጻዕሮም ምስጋናኡ ገሊጹ። ፕረስ ሰክረታርያት ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጲያ ቢልለኔ ስዩም ብሰኑይ 29 ግንቦት 2014 [ግእዝ] ንእዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪታ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ናብ ትግራይ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣትሒዙ 2.1 ቢልዮን ብር ከምኡ’ውን 87 ሽሕ ሜትሪክ ቶን መግቢ፣ ልዕሊ 783 ሽሕ ሊትሮ ነዳዲ ከም ዝተላእከ ገሊጻ ነይራ። ብተወሳኺ፡ ንተፈናቐልቲ ክልል ኣምሓራ’ውን 244 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ምግቢ ከም ዝተዓደለ፡ ቢልለኔ ኣፍሊጣ። ኣብ ሰሜን ኢትዮጲያ ዝተባርዐ ውግእ ሓድ-ሕድ፡ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዓቢይ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ኣስዒቡ እዩ። ኣብቲ ክልል፡ ሚልዮናት ሰባት ተጸበይቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ኰይኖም ምህላዎም፡ ዝተፈላለያ ኣህጉራውያን ትካላት ክገልጻ ጸኒሐን እየን። ነዚ ዝተፈጥረ ቅልውላው ስዒቡ፡ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረዲኤት ንምብጻሕ ምእንቲ ኽከኣል፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ግጭት ደው ንምባል ክውስን እንከሎ፡ መራሕቲ ህወሓት ብወገኖም ተመሳሳሊ ስጕምቲ ከም ዝወሰዱ ይዝከር። እንተዀነ፡ ዋላ’ኳ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ንስለሰብኣዊ ረዲኤት ክብሉ ግጭት ደው ንምባል እንተ ተሰማምዑ፡ እቲ ዝዕደል ረዲኤት ኣብ ሰሜን ኢትዮጲያ ንዘለዉ ተጸበይቲ፡ ዛጊት ብእኹል መጠን ክባጻሕ ኣይከኣለን። ጠንቂ እዚ ድማ ህወሓትን መንግስቲ ፈደራልን ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም እዮም። ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ብሊንከን፡ ኣብቲ ትማሊ ዝሃቦ መግለጺ፡ እዚ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ጽቡቕ ምትሕብባር ናብ ዝለዓለ ደረጃኡ ኣበሪኽካ ናብ ዝርርብ ምእታው፡ ነቲ ግጭት ናይ ሓዋሩ ዘላቒ ፍታሕ ምፍጣር ዝሓሸ እዩ ክብል ኣተሓሳሲቡ። ብሊንከን፡ ኣብቲ ግጭት ዘለዎ ከባቢታት ዝነበሩ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን መስመራት ርክብን ናብ ንቡር ክምለሱ ጻዕሪ ክግበር፣ ንዅሉ ዝሓቍፍ ዝርርብ ክጅመር፣ ንዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኵሎም ኣካላት ተሓታትነት ከረጋግጹ ኣብዚ ናይ ትማሊ መግለጺኡ ጸዊዑ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c84v98dz5k9o"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ህይወት ኣብታ ካብ ዓለም ተነጺላ ዘላ መቐለ ዘሎ እንታይ ይመስል?","content":"እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓገዝ ናብ ክልል ትግራይ ንክበጽሕ ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝተኣወጀ ግዝያዊ ውግእ ደው ምባል፡ ነቲ 17 ኣዋርሕ ዘቑጸረ ሓድሕድ ኲናት ከብቅዕ ክገብሮ ይኽእል እዩ ዝብል ተስፋ ሂቡ ኣሎ፡፡ ክልል ትግራይ ብተዝነበረላ ዕጽዋ ካብ ሙሉእ ዓለም ተነጺላ ትርከብ፤ እዚ ድማ ሚልዮናት ንሕጽረት ምግብን ኣድለይቲ ቀረባትን ክቃልዑ ገይሩዎም፡፡ ኣብታ ኣብ ቁጽጽር ሓይልታት ትግራይ እትርከብ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ ዝኾነት መቐለ ዝነብር ውልቀ ሰብ፡ ህይወት ኣብታ ከተማ እንታይ ከም ዝመስል ንቢቢሲ ኣካፊሉ ኣሎ፡፡ ንምንባር ዘድልዩ መሰረታዊ ቀረባት ይረክብ'ዶ ዝብል ሓሳብ፡ ፍልፍል መዓልታዊ ጭንቀት እዩ፡፡ ኣቦ ክልተ ቈልዑ ከም ምዃነይ ንቤተሰበይ ዘድልዩ ነገራት ከማልእ ዘይምኽኣለይ ኣዝዩ የሕዝነኒ፡፡ ናይዚ ሓደ ምኽንያት፡ ባንኪታት ስለ ዝተዓጸዉ ኣብ ባንኪ ዘለኒ ቅርሺ ኣውጺአ ክጥቀም ዘይምኽኣለይ እዩ። እዚ ንመብዛሕትና ነበርቲ ዘጋጠመና ጸገም እዩ፤ ሕጽረት ጥረ ገንዘብ እውን ኣሎ፡፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ካብ ባንኪ ገንዘብ ከውጽእ ኣይከኣልኩን፡፡ ንቤተሰበይ ዝኸውን መግቢ ንምግዛእ ካብ መሓዙትን ቤተሰብን እናተለቃሕኩ ጸኒሐ፡፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኣዝማድ እውን ክሕግዙ ይደልዩ እዮም፤ እንተኾነ ስልክን ኢንተርነትን ዕጹው ስለ ዝኾነ ዝሕግዝሉ መንገዲ ከመቻችዉ ኣይኽእሉን፡፡ ኣብ ርእሲኡ ዋጋ ምግቢ ሰማይ ኮይኑ፡፡ ዋጋ ጣፍ፣ ሕሩጽ ስርናይ (ስንዳይ) ፣ በርበረን ዘይትን ዝከኣል ኣይኮነን፡፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት 80 ዶላር ዝነበረ ዋጋ ሓደ ኩንታል ጣፍ፡ ሎሚ 146 ዶላር በጺሑ፡፡ እቶም ክገዝኡ ዝኽእሉ እውን ቁሩብ ጣፍ ሸሚቶም ምስ መሸላን ስርናይን እናሓወሱ እዮም እንጀራ ዝስንክቱ፡፡ ካልኦት ግና ጣፍ ምሽማት ኣይሓስብዎም፡፡ ኣብ ገደናና ኣሕምልቲ ክንተክል ተነጊሩና እዩ፤ ንፍትን እውን ኣለና፡፡ እቲ ጸገም ግን እኹል ማይ ክንረክብ ኣለና፡፡ ቅድሚ ሕዚ ንሰሙን ዘጽንሐና 200 ሊትሮ ማይ ዝሕዝ ገንኢ ንገዝእ ነይርና፤ ኣብዚ እዋን ግን ንምግዛእ ዓቕሚ ስለ ዘይብልና ማይ ካብ ዒላ ኢና እነምጽእ፡፡ ሎሚ ንቖልዑ ክዳውንቲ ምግዛእን ስጋ ምብላዕን ብርቂ ኮይኑ እዩ፡፡ ተበጻሕነት ጽሩይ ዝስተ ማይን መብራህትን ኣዝዩ ውሱን እዩ፡፡ ኣብ መዓልቲ ብዙሕ ግዘ ክይድ ምጽእ ክብል ይኽእል፤ ሓደ ሓደ ሻዕ እውን ንመዓልቲታት ኣይንረክብን፡፡ ብዙሓት ሰባት ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኖም፡፡ መብዛሕትኦም ድኳናትን ማእከላት ንግድን፡ ገሊኦም ክራይ መኽፈሊ ብምስኣን ካልኦት ድማ ዝሸጥዎ ስለ ዘይብሎም ተዓጽዮም፡፡ በዚ ምኽንያት ነበርቲ ከም መኪና፣ ናይ ገዛ ኣቑሑትን መጋየጺታቶምን ምሻጥ ጀሚሮም እዮም፡፡ ብሕሳር ዋጋ ክሸጡ እዮም ድማ ዝግደዱ፡፡ ንኣብነት ቅድሚ ሕዚ ንግራም 64 ዶላር ዝሽየጥ ዝነበረ 21 ካራት ወርቂ፡ ሐዚ ብ 12 ዶላር ክሽየጥ ይኽእል፡፡ 16 ሽሕ ዶላር እተውጽእ ዝነበረት መኪና ብ 7 ሽሕ ክትሽየጥ ትኽእል፡፡ ዝሸጥዎ ነገራት ዝወድኡ ሰባት ድማ ናብ ልመና ወጺኦም ኣለዉ፡፡ ብዙሓት ዝልምኑ ሰባት ኢኻ ኣብ ጎደናታት እትረክብ፤ መብዛሕተኦም ድማ ኣዴታትን ህጻናትን እዮም፡፡ ማእከላት ሕክምና እውን መድሓኒት ወዲኦም፡፡ ሕዱር ሕማም ዘለዎም ሰባት ብሕጽረት መድሓኒት ይሞቱ ኣለዉ፡፡ ኤችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ብዝተቖራረጸ መንገዲ እዮም መድሓኒት ዝረኽቡ፤ ቀጻልነት የብሉን፡፡ ሃይማታዊ በዓላትን ከም መርዓ ዝበሉ ማሕበረሰባዊ ጸጋታትን ታሪኽ ኮይኖም፡፡ መዓልታዊ ንጥፈታተይ ብዝምልከት፡ ቅድሚ ኣብያተ ትምህርቲ ምኽፋቶም ኣምስየ ይድቅስ ነይረ፡፡ ምኽንያቱ ካብትን ካብዝን ክእክቦም ዝወዓልኩ ዜናታት ክርእይ ስለ ዘምሲ እዩ፡፡ ትኩስ ዜና ምርካብ እኳ ከቢድ እዩ፡፡ ናይ ኢንተርነት አገልግሎት ኣይረክብን፤ ኣብ ጎደና ቪድዮታትን ድምጺታትን ካብ ዘከፋፍሉ ሰባት እየ ዝገዝእ፡፡ እዚኦም ክሳብ 0.2 ዶላር እዮም ዝሽየጡ፡፡ ካልእ እዋን ግና መጽሓፍ የንብብ፣ ምስ ጎረባብቲ የውግዕ ወይ ናይ ናይ እግሪ ጉዕዞ ይገብር፡፡ ሐዚ ወደይ ትምህርቲ ስለ ዝጀመረ ብእግረይ ብዙሕ ይጉዓዝ፡፡ ኣብ ስልከይ ዘሎ መዝጋቢ ርሕቀት፡ መዓልታዊ ካብ 9 ሽሕ ክሳብ 12 ሽሕ ስጉሚ ከም ዝኸድኩ ይነግረኒ፡፡ መብዛሕትኡ ንጉሆ ንወደይ ናብ ቤት ትምህርቱ ንምውሳድ 2 ኪሎ ሜትሮ ብእግረይ ይጓዓዝ፡፡ ኣብ ምሳሕ ሰዓት ድማ በዓልቲ ገዛይ ብግዲኣ ብእግራ ከይዳ ተምጸኦ፡፡ ብመኪና እየ ዝጓዓዝ ነይረ፤ ንዝሓለፉ 18 ኣዋርሕ ግን ዋጋ ነዳዲ ስለ ዘይከኣልኩዎ መኪናይ ኣብ መረባ ደው ኢላ፡፡ ነዳዲ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ጥራሕ ኢኻ ምግዛእ እትኽእል፡፡ ቅድሚ ሕዚ 0.42 ዶላር ዝነበረ ዋጋ ሓደ ሊትር ነዳዲ ኣብዚ እዋን 10 ዶላር በጺሑ፡፡ ብታክሲ ወይ ባጃጅ ምጉዓዝ እውን ኣይሕሰብን፡፡ ብባጃጅ ንሓንቲ ጉዕዞ 2 ዶላር እዮም ዘኽፍሉ፡፡ ሕዚ፡ ብፈረስ ዝጉተታ ካሮሳታት እየን ናይ መጓዓዝያ ኣገልግሎት ዝህባ ዘለዋ፡፡ ብዙሓት ሰባት ብሽክለታ ምጥቃም ጀሚሮም፤ እንተኾነ ዋጋ ብሽለክታ እውን ኣዝዩ ከቢሩ፡፡ ኣብዚ ዘሎ ህዝቢ፡ እቲ ጎንጺ ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብ እዩ ዝደሊ፤ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተጻብኦ ደው ናይ ምባል ዜና ምስ ተሰምዐ ኣዝዩ ተሓጒሱ ነይሩ፡፡ ካብ ባዶ መብጽዓ ዝዘለለ ምዃኑ ንምርኣይ ተሃንጥዩ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ብዓርቢ እታ ፈላማይቲ ረድኤት ዝሓዘት መኪና ምስኣተወት ግን ነገራት ዝቕየሩ ዘለዉ ይመስል፡፡ ብህይወት ተሪፈ ታሪኸይ ከካፍል ምኽኣለይ ‘ተመስገን’ እየ ዝብል፤ እንተኾነ ብዙሓት ካብ ናተይ ኣብ ዝገደደ ኩነታት ከም ዘለዉን ካልኦት ይሞቱ ከም ዝህልዉን ይፈልጥ እየ፡፡ ንዝኹሉ ግን ሓደ መጸናንዒ ኣሎ፤ ሰባት ሐዚ እውን ሓድሕዶም ይተሓጋገዙ፡፡ ሰባት ነቲ ‘‘በይኑ ዝበልዕስ በይኑ ይመውት’’ ዝብል ብሂል ወለድና ይኽተሉ ኣለዉ፡፡ ዋላ ጽባሕ ከም ዝጠምዩ እናፈለጡ ዘለዎም የካፍሉ፤ ሓቢርካ ብህይወት ንምትራፍ ዘደንቕ ምትሕግጋዝ ኣሎ፡፡","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60972129"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ናብ ትግራይ ረድኤት ከይሓልፍ ዝዓግቶ ዘሎ እንታይ'ዩ?","content":"ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ጐንጺ፡ ኣብ ትግራይ ከቢድ ሕጽረት መግቢ ከም ዘሎ ይገልጽ። መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ህወሓትን ናብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ከም ዝገበሩ'ኳ እንተገለጹ፡ ክሳዕ ሕጂ ግን ሓገዝ ምብጻሕ ኣይተኻእለን፤ ኣብዚ ጕዳይ ከኣ ክልቲኦም ወገናት ንሓድሕዶም ይካሰሱ ኣለው። ልዕሊ 90 ሚእታዊት ህዝቢ እቲ ክልል ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ። ረድኤት ብነፋሪት ጥራይ እዩ ምብጻሕ ዝክኣል ካብ መፋርቕ ታሕሳስ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ፡ ረድኤት ዝጽዓና መካይን ናብ ትግራይ ኣይኣትዋን። ብሰንኪ'ዚ፡ ብትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ዝቐረበ ሓገዝ ብነፋሪት ክልኣኽ ግድን ነይሩ። እዚ ግን፡ ኣዝዩ ክቡር ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ዝለኣኽ ቀረብ'ውን ውሑድ እዩ። ሓላፊት ትካል ዓለምለኻዊ ልምዓት ኣመሪካ [ዩኤስኤኣይዲ] ሳማንታ ፓወር፡ \"ነፈርቲ፡ ብ25 ዕጽፊ ዋጋ ቃፍላይ መካይን፡ ውሑድ ጽዕነት እየን ዝሕዛ\" ትብል። ወሲኻ፡ \"መኪና ምጥቃም ማለት ዝያዳ መግቢ ናብ ትግራይ ምብጻሕ ማለት'ዩ። እንተዀነ መንግስቲ ኢትዮጵያ መገዲ ምዕጻው ቀጺሉ ኣሎ\" ክትብል ከሲሳ። ኣብ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ መጋቢት፡ 100 ሜትሪክ ቶን ጥራይ ብነፋሪት ናብ መቐለ ሰብኣዊ ሓገዝ በጺሑ። ኣስታት ፍርቂ ሚሊዮን ህጻናት እቲ ክልል ሕጽረት መግቢ ከም ዘለዎም፡ ልዕሊ 115 ሽሕ ድማ ብኸቢድ ሕጽረት መግቢ ከም ዝተጠቕዑ ይግለጽ። ስድራቤታት፡ መግቢ ክረኽባሉ ዝኽእላ ኵሉ ኣማራጺታት ጸንቂቐን ይጥቀማሉ ኣለዋ። 75 ሚእታዊት ህዝቢ፡ ብህይወት ንምጽናሕ ዘኽእሎ ናይ መወዳእታ ኣማራጺታት ይጥቀም ምህላው ሕቡራት ሃገራት ይሕብር። \"እቲ ትሕቲ ስሩዕ ዓመታዊ ምህርቲ ኰይኑ ዝተረኽበ፡ ኣብ መኽዝን ዝጸንሐ መግቢ ይውዳእ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ዝቕጽል ኣዋርሕ ሕጽረት መግቢ ክጋደድ ከም ዝኽእል ትጽቢት ይግበር።\" ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መዓልቲ፡ መግብን ነዳድን ዝጽዓና 100 መካይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ኣለወን ይብሉ። ይዅን'ምበር ብሰንኪ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ጐንጺ እቶም ኣውራ መካይን ዝሓልፋሎም መገዲታት ተዓጽዮም እዮም ዘለው። ኣብ መዋስንቲ ቦታታት ዓፋርን ትግራይን ኲናት ይቕጽል ብምህላው፡ እቲ መስመር ሓደገኛ ኰይኑ'ሎ። ካብ ክልል ኣምሓራ ናብ ደቡብን ሱዳንን ዝወስዱ መገዲታት'ውን ዕጡቓት ሚሊሻታት ስለ ዝተቘጻጸርዎም ተዓጽዮም ይርከቡ። ትግራይ ምስ ኤርትራ ብዘዋስና ከባቢታት'ውን ዝዀነ መገዲ የለን። መንግስቲ እንታይ ይብል? መንግስቲ፡ ረድኤት ምሕላፍ ከም ዘይከልከለ ብምግላጽ፡ ንሓይልታት ትግራይ ይኸስስ። ብ17 መጋቢት ካብ ሰመራ ረድኤት ዝጸዓና መካይን ከም ዝተበገሳ'ኳ እንተገለጸ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ናብ መቐለ ዝበጽሓ መካይን የለዋን። ህወሓት ነቲ ብመንግስቲ ዝቐረበሉ ክሲ ብምንጻግ፡ ረድኤት ዘተዓናቕፍ ዘሎ ባዕሉ መንግስቲ ምዃኑ ይኸስስ። \"ኣብ ዝዀነ እዋን፡ ኣብ ግዜ ግጭት ይዅን ድሕሪኡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ትግራይ ከይኣትዋ ዝኸልከሉወን መካይን የለዋን፡\" ይብል። ሕጽረት ነዳዲ ኣብ ርእሲ ሕጽረት ካልኦት ቀረባት፡ ጉዳይ ነዳዲ እቲ ቀንዲ እዩ። ንኣዋርሕ መንግስቲ ነዳዲ ናብ ትግራይ ከይኣቱ ክኽልክል ጸኒሑ'ዩ፤ እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ረድኤት ንምብጻሕ ዝግበር ምንቅስቓስ ጸሊይዎ። \"ዋላ'ውን ቀረባት እንተረኸብና፡ ብዘይ ነዳዲ ግን ክበጽሕሉ ናብ ዝግባእ ቦታ ምብጻሕ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮይኑ'ሎ፤ ወይ'ውን ኣይተኽኣለን፡\" ክብል ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ተዛሪቡ ነይሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ቀረባት መድሃኒት ከይኣትው'ውን ንኣዋርሕ ክኽልክል ጸኒሑ እዩ። ኣብ ለካቲት ግን ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ቀረባት መድሃኒት ናብ ትግራይ ከብጽሕ ተፈቒድሉ። እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጠለብ ጥዕና ንምምላእ፡ 2200 ቶን ህጹጽ ቀረባት ሕክምና ከም ዘድሊ ይግለጽ። ክሳብ ሕጂ ግን 221 ቶን ጥራይ'ዩ በጺሑ፤ እዚ ኸኣ ካብቲ ዝድለ፡ 4 ሚኢታዊት ጥራይ እዩ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60923837"} {"headline":"ኣመሪካን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ትግራይ ተጻብኦታት ጠጠው ናይ ምባል ውሳነታት ንኢዶም","content":"ሃገራት ምዕራብን ትካላት ረዲኤት ዓለምን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረዲኤት ንክበጽሕ ተጻብኦታት ጠጠው ንከብል ምውሳኑ ቅቡል እዩ ክብሉ ገሊጾም። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ሓሙስ ነቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍታሕ \"ንዘይተወሰነ\" እዋን ዝጸንሕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣዊጁ'ዩ። \"መንግስቲ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዕልን ንዘይተወሰነ እዋን ዝጸንሕን ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣዊጁ ኣሎ\" ኢሉ። መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም፡ መንግስቲ ፌደራል ትማሊ ኣብ ትግራይ ብመሰረት ዝኣወጆ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ረድኤት ብቕልጡፍ ክሓልፍ እንተኽኢሉ ምቁራጽ ተጻብኦ ከም ዝገብሩ ኣፍሊጦም ኣለዉ። ነዚ ውሳነ ስዒቡ ኣወንታዊ ምላሽ ካብ መንጎ ዝሃቡ ኣካላት፡ መንግስታት ኣመሪካ: ሕብረት ኣፍሪቃን ብሪጣንያን ይርከብዎም። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ አንቶኒ ብሊንከን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጎንጺ ጠጠው ኣቢሉ ናብቲ ክልል ረድኤት ክበጽሕን ምስ ትካላት ረድኤት ክተሓባበርን ምውሳኑ ዝንኣድ ስጉምቲ ምዃኑ ገሊጹ። ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቢሉ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እዚ ረድኤት ንዘድልዮም ኢትዮጵያውያን ንክበጽሕ ምውሳኑ ዝተባባዕ ውሳነ ከም ዝኾነ እዩ ዝገልጽ። እቲ ስጉምቲ፡ ድሕነት እታ ሃገር ክሕሎን ኩለ መዳያዊ ፖለቲካዊ መድረኽ ንምጅማርን ጥጡሕ ባይረታ ከም ዝፈጥር ሓቢሩ። ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸሙ መጥቃዕቲታት ጠጠው ክብሉን፡ ቅድሚ ሕዚ ንዝተፈጸሙ በደላትን ግፍዕን ተሓታትነት ክሰፍን ድማ ሓቲቱ። ኩሎም ተጻባእቲ ሓይልታት እዚ ኲናት፡ ኣድላይ ዘበለ ኩነታት ድሕነት ብምርግጋጽ፡ ኣብ ልዝብ ዝተመስረተ ተኩሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ንምግባር ናብ ዘኽእል ዘለቒ መገዲ ከምርሑ ጠሊቡ። ዩናይትድ ኪንግደም ብወገና፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ ስጉምቲ ብምንኣድ ኣድላይ ዘበለ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምግባር ድልውቲ ምዃና ቃል ኣትያ። ሚኒስትር ጉዳያት ኣፍሪቃ ዩናይትድ ኪንግደም ቪኪ ፎርድ ንሰብኣዊ ረድኤት ክበሃል ዝተወስደ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ውሳነ ንንእድ ኢላ። ብተመሳሳሊ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ውሳነ ኢትዮጵያ ብኣወንታ ከም ዝቕበሎ ብምግላጽ ሰብኣዊ ረድኤት ንዘድልዮም ህጹጽ ረድኤት ከም ዝገብር ኣፍሊጡ። ሓላፊት ትካል ረድኤት መንግስቲ ኣመሪካ፡ (ዩኤስኤይድ) ሳማንታ ፓዎር ብህጹጽ ተግባራዊ ዝኸውን ጎንጺ ጠጠው ናይ ምባል ውሳነ ብኣወንታ ኢና ንርእዮ ዝብል ርእይቶ ሂባ። ሳማንታ፡ ኣብ ትግራይን ኣብ ካልኦት ክፋላት እታ ሃገርን ልዑል ቁጽሪ ዘለዎም ሰላማውያን ሰባት ህጹጽ ረድኤት ከም ዘድልዮም ኣዘኻኺራ። ተፃብኦታት ንምቁራፅ: ብፍሉይ ልኡኽ ኣቢሉ ክፍትን ዝፀንሐ ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገኑ: ንውሳነታት ፌዴራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ንክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ንኢዱ:: ፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት: ኣምባሳደር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ: እቲ ኲናት ብዘተ ሰላም ፍታሕ ክረክብ ዝጀመሮ ፃዕሩ ኣሐይሉ ክቕፅል ድማ: ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሓማት ኣዘኻኺሩ::","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60871262"} {"headline":"ልዕሊ 700 ሽሕ ዶላር ዝተዋጻኣሉ ኤርትራዊ ንሕክምና ካብ ኤርትራ ከምዝወጸ ተገሊጹ","content":"ብሰንኪ ዘይንቡር ሕማም መንሽሮ ደም፡ ኩነታት ጥዕንኡን መነባብሮ ስድራቤቱን ኣብ ሕማቕ ዝወደቐ ዮናስ ጸጋይ ዝተባህለ ኤርትራዊ በቲ ዝተገብረሉ ገንዘባዊ ሓገዝ ካብ ኤርትራ ክወጽእ ከም ዝኸኣለ ጸብጻባት ሓቢሮም። ብመሰረት ዝወጽእ ዘሎ ሓበሬታ፡ እቲ ሕማሙ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክሕከም ከም ዘይክእል ዝተነግሮ ዮናስ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ሃገረ ቱርኪ በጺሑ'ሎ። እቲ ኣቦ 6 ቆልዑ፡ ኣብ ሓደ 'ሄንፓስ ኢንተርቴመንት' (HENPAS ENTERTAINMENT) ዝተባህለ ናይ ዩቱብ ቻነል ቀሪቡ ብዛዕባ ኩነታቱ ድሕሪ ምዝራቡ፡ ገለ ግዱሳት ኤርትራውያን ብመንገዲ 'ጎ-ፋንድ-ሚ' ((GoFundMe) ሓገዝ ንምርካብ ኣብ ዝኸፈትዎ ማዕከን፡ ካብ ትጽቢቶም ንላዕሊ ብዙሕ ገንዘብ ውሒዙ። ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ጥራይ ከኣ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ካናዳ ክዋጻእ ክኢሉ። እታ ጎ ፋንድ ሚ ምስ ተኸፈተት ኣብ ውሽጢ ቀዳሞት 12 ሰዓታት ልዕሊ 350 ሽሕ ዶላር ካናዳ ተዋጺኡ። ምስቲ ኣብ ዝተፈላለየ ማዕከናት ዝተዋጽአ ብምድማር ድማ ልዕሊ 700,000 ዶላር ከምዝተዋጽአ ይፍለጥ። ንሱን ቤተሰቡን ኣብ ተመሳሳሊ ቻነል ብምቕራብ ነቲ ብህዝቢ ዝተገብረሉ ደገፍ ልዕሊ ትጽቢቱ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንኹሎም ለገስቲ ኣመስጊኑ ነይሩ። 'ሆጅኪንስ ሊምፎማ' እንታይ ዓይነት መንሽሮ'ዩ? 'ሆጅኪንስ ሊምፎማ' ምስ ጻዓዱ ናይ ደም ዋህዮታት ዝተሓሓዝ ክሓዊ ዝኽእል ዘይንቡር ሕማም መንሽሮ ኮይኑ፡ ኣብ ክሳድን ቱሽቱሽን ዝረአ ሕበጥ ካብ ቀንዲ ምልክታቱ ምዃኖም መርበብ ሓበሬታ ኣገልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ ይገልጽ። ክሳብ ሕጂ ብዝተገብረ መጽናዕትታትጠንቂ ናይቲ ሕማም ብንጹር ዝፍለጥ የለን። ተፈጥሮኣዊ ምውርራስ ግን ከም ሓደ ናይ ተቓላዒነት ረቛሒ ክውስድ ከምዝኽእል ሰብሞያ ጥዕና ይዛረቡ። ኤርትራዊ ዶክተር ሮቤል ተስፋሂወት ምስዚ ናይ ዮናስ ኩነታት ብዝተሓሓዝ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት: \"ምፎሳይት ዝተብሃሉ ዓይነታት ጸዓዱ ዋህዮታት ደም ካብቲ ንቡር ምዕባል ናይ ጸዓዱ ዋህዮታት ደም ወጻኢ ከይማዕበሉ ብዘይ ምቁጽጻር ዕቤትን ምትእኽኻብን ክፈጥሩ እንከለዉ ዝፍጠር ሕማም\" ምዃኑ ይገልጽ። \"እዞም ሊምፎሳይት ብሓፈሻ ኸኣ ጸዓዱ ውሃዮታት ደም ቀንዲ ስርሖም ኣብ ስርዓተ ምክልኻል ኣካላትና፡ ዝኾነ ከም ረኽሲ ናይ ጀርምታት ኣብ ዘጋጠምሉ እዋን ንኣካላትና ድርዒ ኮይኖም ዝከላኸሉ ዋህዮታት ደም ከም ምዃኖም መጠን ዘይንቡር ዕቤት ናይዞም ውሃዮታት ክፍጠር እንከሎ እቲ ሰብ ንሕማም ናይ ምጽዋር ዓቕሙ ዝለዝዳኸም ብዝኾኑ ተበለጽቲ ሕማማት ክጥቃዕ ይኽእል'ዩ።\" 'ጎ ፋንድ ሚ' እንታይ እዩ? ብኸመይከ ይሰርሕ? ጎ ፋንድ ሚ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ትካል ኮይኑ፡ ሰባት ንጽንብላት፡ ብሓደጋ ንዝተጎድኡ፡ ንዝሓመሙን ካልኦትን ንምሕጋዝ ገንዘብ ዘዋህልሉ ማዕከን እዩ። እቲ ትካል ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ካብ 2010 ክሳብ 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ ካብ 120 ሚልዮን ለገስቲ ሰባት ልዕሊ 9 ቢልዮን ዶላር ካብ ለገስቲ ናብ ተሓገዝቲ ከምዘብጸሐ ይገልጽ። መምህር ዩሴፍ ኣብ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ተመክሮ ምርኩስ ብምግባር \"እቲ ሰልዲ ብመንገዲ ጎ ፋንድ ሚ ምስ ተዋህሊለ፡ ነቲ ትካል ናብ ከምዚ ሕሳብ ወይ ናብ ከምዚ ሕክምና ኣሰጋግረልና ትብሎ፡ እቲ ትካል ኸኣ እቲ ዝግብኦ 'ኮምሽን' ወሲዱ ነቲ መስርሕ ምስግጋር ናይ ሰልዲ ይፍጽሞ\" ይብል። እዚ ኣብ ግንቦት 2010 ብብራድ ዳምፕሃውስን ኣንድሬው ባላስተርን ዝተመስረት ትካል ኣብ መጀመርታ 2017 ካብ ዓለም ዝዓብየ ናይ ወፈያ ገንዝብ ዝእከበሉ መርበብ ክኸውእ ምብቅዑ ይግለጽ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60202232"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ናብ ትግራይ ተበጊሰን ዝተብሃላ ረድኤት ዝጸዓና መኻይን ኣበይ በጽሓ?","content":"ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ረድኤትን ነዳድን ዝጸዓና መካይና ካብ ርእሰ ከተማ ዓፋር ሰመራ ናብ መቐለ ጉዕዞ ከም ዝጀመራ ኣፍሊጡ ነይሩ። ብሓሙስ 20 ረድኤት ዝጸዓና ከምኡ'ውን ክልተ ነዳዲ ዝጸዓና ተሽከርከርቲ ናብ መቐለ ጉዕዞ ከም ዝጀመራ ሓቢሩ'ዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ'ቲ ክልል ዘሎ ድሌት ሰብኣዊ ረድኤት ንምምላእ መዓልታዊ 20 ረድኤት ዝጸዓና መኻይን ናብቲ ክልል ክኣትዋ ምዃነን የረድእ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብወገኑ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ናብ ትግራይ ዝተላእኸ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘየለ ንቢቢሲ ሓቢሩ። እቲ ትካል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ [ብ10ን 11ን መጋቢት 2014 ዓ.ም ኣቆጻጽራ ግእዝ] መዕረፊአን ኣብ ውሽጢ ክልል ዓፋር ዝኾና ሰብኣዊ ረድኤት ዝጽዓና መካይን ካብ ሰመራ ከም ዝተበገሳ ገሊጹ። ኣበይ በጽሓ? ቢቢሲ ካብቲ ከባቢ ዘዘራረቦ ምስክር ዓይኒ፡ እተን ናብ ትግራይ ተበጊሰን ዝተብሃላ 23 መኻይን ብነበርትን ዕጡቓትን ዓፋር ካብ ጉዕዞ ከም ዝተኣጓጎላ ተዛሪቡ። እተን መኻይን ስልሳ ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ክልል ዓፋር ምስበጽሓ እቶም ነበርትን ዕጡቓትን መገዲ ብምዕጻው ነቲ እኽሊ ከራግፉ ከምዝረኣየ'ውን ሓቢሩ። ወሃቢ ቓል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ግን፡ እተን ብሓሙስ ናብ ትግራይ ጉዕዞ ዝጀመራ 23 መኻይን ካብ ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕቲ ስለዝተኸፈተ ከም ዝተመለሳ እዩ ዝኸስስ። ኣብተን ናብ ትግራይ ዝኸዳ ዝነበራ መኻይን ብነበርትን ዕጡቓትን ዓፋር ዝበጽሓ ምትእጉጓል ከም ዘይነበረ ዝዛረብ ወሃቢ ቓል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ተርእዮታት ግን ናብ ክልል ኣምሓራን ካልኦት ከባብታት ዓፋርን ኣብ ዝለኣኻ ረድኤት ዝጸዓና መኻይን ሓሓሊፉ ከም ዘጋጥም እዩ ዝዛረብ። ናብ ትግራይ ዝለኣኻ መኻይን ብሓይልታት ትግራይ ዝተኣጓጎላሉ ኩነታት ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራሕ ዘይኮነስ ንነዊሕ እዋን እተን መኻይን ደው ኢለን ከምዝርከባ ተዛሪቡ። \"እቲ ወራሪ ሓይሊ ብኣብዓላ ኣቢሉ እዩ ዝኣትዉ። ንኣብዓላ ሓዊሱ ንኣርባዕተ ወረዳታት ብምቁጽጻሩን ነቲ ከባቢ ብምዕፃዉን እተን ናብ ትግራይ ዝኸዳ ዝነበራ መኻይን ተመሊሰን ኣለዋ\" ክብል ተዛሪቡ። ሓይልታት ዓፋር ብሰራዊት ምክልኻል ሓገዝ እናተገበረሎም ንሓይልታት ትግራይ ደፊኦምዎም ስለ ዝነበሩ መንገዲ ክኸፈት ይኽእል'ዩ ብዝብል ተስፋ እተን መኻይን ክብገሳ ከምዝተገበረ ድማ ኣረዲኡ። \"ደሓር ግን ዳግም ካብ ዝተፈላለዩ ቦታትት ተኣኻኺቦም ብምምጻእ ነቲ መንገዲ ብምዕጻዎም'ዩ እተን መኻይን ዝተመለሳ\" ክብል ንሓይልታት ተሓተትቲ ገይሩ'ሎ። እተን መኻይን ብሓይልታት ትግራይ መጥቃዕቲ ስለዝተፈጸመን ክምለሳ ተገዲደን ንዝብል ክሲ ብወገን መራሕቲ ትግራይ መብርሂ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን። እንተኾነ፡ ኣብቲ ክልል ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢሙ ከምዘሎን፡ ረድኤት ብኽፉት ክንቀሳቐስን እዮም ክሓቱ ጸኒሖም። ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ጎንጺ ብዝምልከት፡ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ ፍሉይ ሓይሊ ዓፋር ምስ ሰራዊት ኤርትራ ብምዃን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ግብረ-መልሲ ንምሃብ ከምዝተገደዱ ኣፍሊጦም ነይሮም። ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት ግን ብትዊት ኣብ ዘሕለፎ መልክእኽቲ፡ ካብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ፡ ናብ ትግራይ ዝኣተወት ዋላ ሓንቲ ረድኤት ዝጸዓነት መኪና ከምዘየላ ጠቂሱ'ሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ረድኤትን ነዳዲን ዝጸዓና መኻይን ልኢኸለኹ ምባሉ ከምዝሰምዑ ብምዝኽኻር ድማ \"ካብ ሰመራ መቐለ ናይ ሓደ መዓልቲ መገዲ እዩ። እተን መኻይን ደኣ ኣበይ ኣለዋ?\" ክብል ናብ ትግራይ ዝኣተዋ መኻይን ከም ዘየለዋ ኣረጋጊጹ'ሎ። መኻይን መዓዝን ኣበይን እየን ክሓልፋ ዘይከኣላ? ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብቲ ክልል ዘይእዉጅ 'ኩለንተናዊ ዕጽዋ' ተኣዊጁ ከምዘሎ እዩ ዝሕብር። ውድብ ምግቢ ዓለም፤ ነቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ምላሽ ንምሃብ፡ መዓልታዊ፡ 100 ተሽከርከርቲ ናብቲ ክልል ክኣትዋ ከምዘለዎን ዝኣመን ኮይኑ፡ ዛጊድ ትሕቲ 10 ሚኢታዊ ጥራይ ከምዝተጉዓዛ የመልክት። እተን ብሓሙስ ተበጊሰን ዝተብሃላ 23 መኻይን ሽዕ ንሽዑ ከም ዝተመለሳ ወሃቢ ቓል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶክተር ለገሰ ንቢቢሲ ሓቢሩ'ሎ። \"እቲ መገዲ ቀረባ ስለዝኾነ ካብ ሰመራ ተበጊሰን ዝተወሰነ ኪሎሜትራት ምስከዳ ተኺሲ ከፊቶም። ናይ ኣብዓላ ኮሪደር ኣብ ዝበሃል ቦታ እዩ እቲ ተኹሲ ተኸፊቱ። ካብ ሰመራ መቐለ ኣስታት 180 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ኣለዎ። ኣብዓላ መቐለ ድማ 40 ኪሎሜትር ይርሕቕ። ስለዚ ኣብቲ ከባቢ ዳግማይ ተኹሲ ስለዝኸፈቱ እተን መኻይን ክምለሳ ተጌሩ\" ኢሉ። ፕሮግራም መግቢ ዓለምን መንግስቲ ኢትዮጵያን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ትግራይ 4.6 ሚልዮን ሰባት፡ ማለት ካብ ሓሙሽተ ሰባት እቶም ኣርባዕተ ተጸበይቲ ሓገዝ ከም ዝኾኑ፡ ልዕሊ ፍርቂ ነፍሰ ጾርን ዘጥቡዋን ኣዴታት ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ከም ዘለዋን ኣብ ቀረባ እዋን ኣፍሊጡ። ኣስታት 120 ሽሕ ነፍሰ ጾርን ዘጥቡዋን ኣዴታት ከኣ ኣብ ትግራይ ብሕጽረት መግቢ ከም ዝተጠቕዓ ሓቢሩ። ትካላት ረድኤት መንግስቲ ፌደራል ኮነ ኣብ ረጽሚ ዘለው ዕጡቓት ሓይልታት ናብቲ ክልል ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረድኤት ዝበጽሓሉ ዕድላት ከመቻችኡ ብተደጋጋሚ ክሓቱ ጸኒሖም። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንቢቢሲ ብኢሜይል ኣብ ዝልኣኸ መልሲ \"ናብ ትግራይ ዘይኮነ ኣብ ዓፋር ንዘለው ሕብረተሰብ ንምብጻሕ ተንቀሳቒሰን ነይረን\" ኢሉ። ይኹን'ምበር እተን ቃፍላይ መካይን ናብቲ ዝሓሰብኦ ቦታ ከይበጽሓ ኣብ ውሽጢ ዓፋር ዘለው \"ኣባላት ሕብረተሰብ\" ንከይሓልፋ ስለ ዝገበሩ ምስ ጽዕነተን \"ብሰላም ናብ ሰመራ ተመሊሰን\" ክብል እቲ ወሃቢ ቃል ኣረዲኡ። ወሃቢ ቓል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶክተር ለገሰ ብወገኑ እተን ካብ ሰመራ ናብ ትግራይ ዝተበገሳ ምስተን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝገለጸን መኻይን ዝራኸባ ከምዘይኮና ገሊጹ'ሎ። \"ብነበርቲ እቲ ከባቢ ኮነ ዕጡቓት ዓፋር ኣብተን ናብ ትግራይ ተበጊሰን ዝነበራ ዝተፈጸመ ምትእጉጓል የለን ኢሉ። ሓይሊታት ክልል ዓፋር ናብ ትግራይ ረድኤት ከይሓልፍ ይኽልክሉ ምህላዎም፡ መራሕቲ ትግራይ ብተደጋጋሚ ክኸሱ ጸኒሖም'ዮም። እንታይ ኣማራጺ ይህሉ? ነቲ ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ረድኤት ንኽበጽሖ እንታይ ኣማራጺ ክህልወኩም ይኸውን? ዝብል ሕቶ ንዶክተር ለገሰ ኣቕሪብናሉ ኔርና። \"መንግስቲ ነቲ ብመገዲ መኪና ምብጻሕ ዘይተኽኣለ ረድኤት ብናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነፋሪት ኣቢሉ ብውሕድ ኣብ ሰሙን ሰለስተ መዓልቲ ክመላለስ ይገብር ኣሎ። ፍቓድ በረራ ኣየር ስለዝሃበ ብዘይገለጸ ጸገም ኣብ ምብጻሕ ይርከብ\" ኢሉ። ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ተወሳኺ መድሓኒት ከእቱ ዛጊድ ከምዘይተፈቕደሉን ሓይልታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላጥቸ መገዲተይዓጽዉ ከም ዘለዉን ደጋጊሙ ይገልጽ ኣሎ፤ መንግስቲ ፌዴራል ነቲ ካብ ዶ\/ር ቴድሮስ ዝቐርብ ክሲ ይነጽጎ። መንግስቲ ኣብ ከባቢ ዓፋር ናብ ዘሎ ጎንጺ ኢዱ ከእትው ድልየት ከም ዘይብሉ ዝሓበረ እቲ ወሃቢ ቓል፡ \"እቲ መንገዲ ተኸፊቱ ህዝቢ ትግራይ ካብ ከባቢኡ ከይተፈናቐለ ከሎ ኣብ ከባቢኡ ረድኤት ንኽበጽሖ እዩ ድልየት መንግስቲ\" ክብል ተዛሪቡ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60841571"} {"headline":"ምስ ኬንያ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ኢትዮጵያ ግጭት ተላዒሉ ከም ዝነበረ ተገሊጹ","content":"ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ሞያሌ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ንርእሱ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ዕጡቕ ሓይልን ግጭት ተላዒሉ ከም ዝነበረ ተገሊጹ። እቲ ግጭት፡ ንኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ እተዋስን ከተማ ሞያሌ ተላዒሉ ዝነበረ ምዃኑ በዓል መዚ ምምሕዳር እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። እቲ በዓል ስልጣን ከም ዝብሎ፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ሓይልታት ዝተላዕለ ጎንጺ ካብ ቀዳም ንጉሆ ክሳብ ሰንበት ኣጋምሸት ዝቐጸለ ነይሩ። እቶም ምስ ሓይልታት መንግስቲ ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ ዝገበሩ ዕጡቓት: መንግስቲ 'ሸኔ' ኢሉ ዝጽውዖም ኣባላት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ከም ዝኾኑ'ውን ሓቢሩ። እንተኾነ በዚ ምኽንያት ብዛዕባ ዝበጽሐ ጉድኣት ካብ ምግላጽ ተቖጢቡ። እዚ ግጭት፡ መርኣያ እቲ ኣብ ደቡባውን ምዕራባውን ክፋል ኢትዮጵያ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ስግኣት ጸጥታ ከም ዝኾነ ይግለጽ። ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ልዕሊ \"ኣሸባሪ ጉጅለ ሸኔ ዘየናሕሲ ስጉምቲ ይወስድ\" ኣለኹ ክብል ብፌስቡክ ገሊጹ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፉ ሳምንታት፡ ንዝሓለፉ 17 ኣዋርሕ ኣብ ረጽሚ ዝጸንሑ መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ህወሓትን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ዘኽእል ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ ከም ዝገበሩ ገሊጾም እዮም። እንተኾነ፡ ኣብቲ ዝዓበየ ክፋል እታ ሃገር ዝኾነ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ሞንጎ ክልላዊ ፖሊስ ዝርከቦም ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ቐጻሊ ጎንጺ ምህላው ይግለጽ። ብቐዳም፡ መተሓባበሪ ናይ ድሕሪት ደጀን እዚ ደቡብ ሰራዊት ምክልኻል ዝኾነ ኮሎኔል ግርማ ኣየለ \"እቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ዝጥቀመሎም ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ኣጽዋራት ሓዊሱ ናብ ኣመራርሓ እቲ ጉጅለ ዝጉዓዓዝ ዝነበረ ኣፋውስ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ\" ኢሉ ነይሩ። ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ብወገኑ ኣንጻር ሓይልታት መንግስቲ ብዝወስዶም ስጉምታት ይዕወት ከም ዘሎ ይገልጽ። ወሃቢ ቃል ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ኦዳ ታርቢ ኣብ ደቡባዊ ኦሮሞ መልካ ለሚ ኣብ ዝብሃል ቦታ ሓይልታት መንግስቲ \"ከቢድ ጉድኣት በጺሑዎም\" ክብል ሎሚ ብትዊተር ጽሒፉ። ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ ከባቢታት ደቡብ ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ክበጽሕ ዝጸንሐ ኮይኑ መንግስቲ ንሸኔ ተሓታቲ ይገብር። እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርኣዩ ዘለው ጸገማት ጸጥታን ድሕነትን ድማ ሰብኣዊ ቅልውላው እታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከየዕርጉዎ ይስጋእ ኣሎ። ኣብዚ ዓመት፡ ደርቂ፣ ጎንጽን ሕማማትን ተደሚሩ ልዕሊ 20 ሚሊዮን ኢትዮጵያውያን ሰብኣዊ ሓገዝ ከድልዮም ከም ዝኽእል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60971679"} {"headline":"ጸብጻብ ኒውዮርክ ታይምስ ስዒቡ፡ ዶብ-ኣልቦ ሓካይም ንቅትለት ሰራሕተኛታቱ ንመንግስቲ ሓቲቱ","content":"ዓለመለኻዊ ትካል ረድኤት፤ ዶብ ኣልቦ ሓካይም (ኤምኤስኤፍ)፤ ድሕሪ እቲ ወኪል ዜና ኒው ዮርክ ታይምስ ዝዘርገሖ ጸብጻብ፡ ቅትለት ሰራሕተኛታቱ ዝምልከት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሕቶ ከምዘቕረበ ኣፍሊጡ፡፡ ጸብጻብ ኒው ዮርክ ታይምስ ንቕትለት ሰራሕተኛታተይ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኣዛዚኦምን ተሓተትቲ ዝገብር እዩ ዝበለ ኤም ኤስኤፍ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ አብዚ ጉዳይ ምላሽ ክህብ ኣተሓሳሲቡ፡፡ ፐረዚደንት ኤምኤስኤፍ ስፐይን ፓውላ ጊል ትማሊ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ቅትለት እቶም ሰራሕተኛታት ዝምልከት ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም ባዕሉ ብዘካየዶ ምርመራ ብቐጥታ እቶም ቀተልቲ በዓል መን ከምዝኾኑን ምኽንያቶምን ክፈልጥ ኣይከኣለን ኢላ፡፡ ኮይኑ ግና ቅድም ክብል፡ እቶም ሰራሕተኛታት ኮነ ተባሂሉ ካብ ቀረባ ርሕቀት ብተደጋጋሚ ብዝተተኮሱ ጠያይቲ ተወቒዖም ከምዝሞቱ እታ ሓላፊት ገሊጻ ነይራ፡፡ ሰለስተ ሰራሕተኛታት ኤምኤስኤፍ ኣብ ክልል ትግራይ 17 ሰነ 2013 ዓ\/ም ንሰብኣዊ ሓገዝ እናተጉዓዙ እናሃለዉ ካብ ቀረባ ብዝተተኮሶም ጠያይቲ ከምዝተቐተሉ ዝዝከር እዩ፡፡ ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ ቅትለት እቶም ሰለስተ ሰራሕተኛታት ኣመልኪቱ ኣብ ዘዳለዎ ጸብጻብ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ኤምኤስኤፍ ብሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ እዮም ተቐቲሎም ኢሉ፡፡ እቲ ወኪል ዜና ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝን ነቲ ቕትለት ዝምርምሩን ሰባት ጠቒሱ ኣብ ዘዳለዎ ጸብጻብ፡ ሰለስቲኦም ሰራሕተኛታት በቶም ዝሃድሙ ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ከምዝተቐተሉ ኣረጋጊጸ ኢሉ፡፡ በቲ መጥቃዕቲ ዝተቐተሉ ሓጋዚ መተሓባበሪ ኤምኤስኤፍ ዝነበረ ወዲ 31 ዓመት ዮሃንስ ሓለፎም፣ መራሒ መኪና ዝነበረ ቴድሮስ ገብረማርያምን ንነዊሕ ዓመታት ናይ ህጹጽ እዋን ረድኤት መተሓባበሪት ዝነበረት ጓል 34 ዓመት ስፔናዊት ማርያ ሀርናንዴዝን እዮም፡፡ ኣብቲ ዝተቐተልሉ መዓልቲ እቶም ሰለስተ ሰራሕተኛታት ትካል ረድኤት፡ ማእከሎም ካብ ዝኾነት ከተማ ዓብዪ ዓዲ ንኣንፈት ደቡብ፡ ዝተጎድኡ ሰባት ደልዮም ንምሕጋዝ እናተጉዓዙ ከምዝነበሩ ሓደ ኣብ ትካል ረድኤት ዝሰርሕ ውልቀ ሰብ፡ ንኒው ዮርክ ታይምስ ተዛሪቡ፡፡ ከባቢ ሰዓት 9 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ሸውዓተ ሕጉም ተባሂላ ኣብ እትጽዋዕ ቁሸት ክበጽሑ 2 ኪሜ እንትተርፎም፡ ዝጓዓዙላ ዝነበረት ላንድ ክሩዘር መኪና ናብ ተመሳሳሊ ኣንፈት ትጓዓዝ ናብ ዝነበረት መኪና ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ በጺሓ፡፡ እዚ ድማ ናብቲ ናይ መበል 31 ክፍለ ሰራዊት ኣዛዚ ዝነበረ ኮሎኔል ታደሰ በቀለ ሪፖርት ከምዝተገበረ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሽዱሽተ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንኒው ዮርክ ታይምስ ገሊጾም፡፡ ኣብ መኪነኦም እናሃለዉ ተኹሲ ዝተኸፈቶም ሰለስቲኦም ሰራሕተኛታት ኤምኤስኤፍ ንርእሶም ካብ መጥቃዕቲ ንምድሓን ካብ መኪነኦም ወሪዶም ነይሮም፡፡ ኣብ መወዳእታ ዮሃንስ፣ ቴድሮስን ማርያን ዝተባህሉ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ብኣባላት እቲ ሰራዊት ካብ ቀረባ ተወቒዖም ከምዝተቐተሉ ካፒቴን ግርማይ ሞገስ ዝተባህለ ኣባል ሰራዊት ኢትዮጵያ ንኒው ዮርክ ታይምስ ተዛሪቡ፡፡ እቶም ምስክርነቶም ንኒው ዮርክ ታይምስ ዝሃቡ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሓይሊታት ትግራይ ተማሪኾን ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ እዮም፡፡ ኒው ዮርክ ታይምስ እቶም ቃሎም ዝሃቡ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ጸቕጢ ተገይሩሎም ክዛረቡ ብዛዕባ ምኽኣሎም ዝረኣኽዎ ምልክት የለን ኢሉ፡፡ እቶም ሰራሕተኛታት ረድኤት ክቕተሉ ትእዛዝ ዝሃበ ኣዛዚ ኣብ ዓውደ ኲናት ከምዝተቐተለ ሓበሬታ ምርካቡ እውን እቲ ወኪል ዜና ኣረዲኡ፡፡ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝተጋፈሐ ኲናት ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ኣውሪዱ እዩ፡፡ ትካላት ረደኤትን ሃገራት ምዕራብን፡ ኣብዚ ኲናት ዝተሳተፉ አካላት ምስ ገበናት ኲናት ዝዳረግ ጥፍኣት ፈጺሞም እዮም ይብሉ፡፡ ንጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዕንወትን ተሓተትቲ ዝኾኑ ኣባላት ሰራዊት ብሕጊ ክሕተቱ እውን ሕቶ ክቐርብ ጸኒሑ እዩ፡፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ናይ ኲናት ዞባ ሕጊ ጥሒሶም ኣብ ለዕሊ ዝበሎም ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ክሲ ከምዝመስረተን ናይ ቅጽዓት ውሳነ ከምዝሃበን ገሊጹ ነይሩ። ብዛዕባ እዚ ውሳነ ግን ዝወጽአ ዝርዝር ሓበሬታ የለን።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60792987"} {"headline":"መንግስቲ፡ ረድኤት ዝጸዓና መኻይን ናብ መቐለ ከምዝተበገሳ ገሊጹ","content":"ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ረድኤትን ነዳድን ዝጸዓና መካይና ካብ ርእሰ ከተማ ዓፋር ሰመራ፤ ናብ መቐለ ጉዕዞ ከምዝጀመራ ኣፍሊጡ። እቲ ቤት ጽሕፈት ከምዝበሎ፤ ትማሊ ሓሙስ 20 ረድኤት ዝጸዓና ከምኡ'ውን ክልተ ነዳዲ ዝጸዓና ተሽከርከርቲ ናብ መቐለ ጉዕዞ ጀሚረን ኣለዋ። እቲ መግለጺ ፡ ኣብ'ቲ ክልል ዘሎ ድሌት ሰብኣዊ ረድኤት ንምምላእ፤ መዓልታዊ 20 ረድኤት ዝጸዓና መኻይን፡ ናብቲ ክልል ክኣትዋ ምዃነን የረድእ። ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብዚ እዋን ካብ ዝኾነ ከባቢ ዓለም ንላዕሊ ዝኸፈአ ቅልውላው ኣብ ክልል ትግራይ ከምዘሎ ተዛሪቡ ነይሩ፡፡ ዶ\/ር ቴድሮስ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ዝመርሖ ትካል ውድብ ጥዕና ዓለም፡ 95 ሜትሪክ ቶን መድሓኒት ናብ ትግራይ ከእቱ ፍቓድ ከምዘይረኸበ'ውን ወሲኹ ሓቢሩ፡፡ ድሕሪ'ቲ መግለጺ፤ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ኮምኒኬሽን፡ ዶክተር ለገሠ ቱሉ፡ ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቲ ክሲ 'ካብ ሓቂ ዝረሓቀን ንመንግስቲ ብሓሶት ዝኸስንን እዩ' ኢልዎ። በተወሳኺ፡ \"ህወሓት መተሓላለፊ ኮሪደራት ድሕሪ ምዕጻዉ፡ ብነፈርቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሙን ልዕሊ ሰለስተ ግዜ ናብ ትግራይ ረድኤት የመላልሳ ኣለዋ\" ኢሉ። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ፡ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፌዴራል መንግስቲ ናብ ትግራይ ረድኤት ንምልኣኽ ኣወንታዊ ተራ እናተጻወተ ከምዝኾነን፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ዓፋር ብዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ፡ መስመር መቐለ-ኣብዓላ ምዕጻዉ እዩ እቲ መስርሕ ተዓንቂፉ ይብል። ሓይልታት ትግራይ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ዝርከብዎም ዕጡቓት ክልል ዓፋር ኣብ ዶባት መጥቃዕቲ ምስ ፈጸምሎም ስጉምቲ ከምዝወሰዱ እዮም ዝገልጹ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብቲ ክልል ዘይእዉጅ ኩለንተናዊ ዕጽዋ ተኣዊጁ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ። ውድብ ምግቢ ዓለም፤ ነቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ምላሽ ንምሃብ፡ መዓልታዊ፡ 100 ተሽከርከርቲ ናብቲ ክልል ክኣትዋ ከምዘለዎን ዝኣመን ኮይኑ፡ ዛጊድ ትሕቲ 10 ሚኢታዊ ጥራይ ከምዝተጉዓዛ ይገልጽ። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ግና፡ ካብ መጋቢት 7 ጀሚሩ፤ 17 ትካላት ረድኤት መድሓኒት፣ መሳርሒ ሕክምናን ረድኤት ምግቢን፡ ናብ ትግራይ ክጉዓዓዙ ፍቓድ ረኺቦም ኢሉ። ካልኦት ተወሰኽቲ ትካለት ድማ፡ ብነፈርቲ 257 ሽሕን 192 ኪሎግራም መድሃኒትን ረድኤትን ናብ መቐለ ከምዘግዓዘ ገሊጹ ኣሎ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ትግራይ 4.6 ሚልዮን ሰባት፡ ማለት ካብ ሓሙሽተ ሰባት እቶም ኣርባዕተ ተጸበይቲ ሓገዝ ከም ዝኾኑ፡ ልዕሊ ፍርቂ ነፍሰ ጾርን ዘጥቡዋን ኣዴታት ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ከም ዘለዋን ኣብ ቀረባ እዋን ኣፍሊጡ። ትካላት ረድኤት መንግስቲ ፌደራል ኮነ ኣብ ረጽሚ ዘለው ዕጡቓት ሓይልታት ናብቲ ክልል ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረድኤት ዝበጽሓሉ ዕድላት ከመቻችኡ ብተደጋጋሚ ክሓቱ ጸኒሖም። ኦቻ፡ ቅድሚ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ሰሙናዊ ጸብጻብ ኣስታት 454 ሽሕ ህጻናት ብሕጽረት መግቢ ከምእተሃስዩን ልዕሊ 115 ሽሕ ህጻናት ከኣ ብኸቢድ ሕጽረት መግቢ ከምእተጠቕዑን የመልክት። ኣስታት 120 ሽሕ ነፍሰ ጾርን ዘጥቡዋን ኣዴታት ኣብ ትግራይ ብሕጽረት መግቢ ከም ዝተጠቕዑ ሓቢሩ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60761287"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰብመዚ ትግራይን ኣብ ምትሕልላፍ ረድኤት ንሓድሕዶም ይካሰሱ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ምግባሮም ስዒቡ፡ ድሕሪ መዓልቲታት ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ብመሬት ክበጽሕ ዘይከኣለሉ ምኽንያት ኣመልኪቱ ሓድሕዶም ይካሰሱ ኣለዉ። በዚ መሰረት መንግስቲ ኢትዮጵያ \"ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ንክኣቱ ብምሕሳብ ጎንጺ'ኳ ደው እንተበልኩ ብወገን መራሕቲ ትግራይ ኣድላዪ ምትሕብባር ስለዘይተገበረለይ ብመሬት ሰብኣዊ ሓገዝ ከብጽሕ ኣይከኣልኩን\" ኢሉ። ኣገልግሎት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ንዘለዉ ዜጋታት ብመሬት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምግባር ጻዕሪ'ኳ እንተገበረ ህወሓት ክተሓባበር ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ ምቕራብ ስራሕቲ ጸገም ገጢምዎ ኣሎ ኢሉ። እቲ መግለጺ ከምዝሓበሮ ቀረብ ረድኤት ዝተሓላለፈሉ መስመር ኣብዓላ ብዕጡቓት ህወሓት ስለዝተዓጸወ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና 43 መካይን ውድብ ምግቢ ዓለም ናብ ትግራይ ክኣትዋ ኣይከኣላን ኢሉ። ሰብመዚ ትግራይ ብኣንጻሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ በይናዊ ጎንጺ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ከምዝወሰደን ናብ ትግራይ ዘይተገደበ ፍሰት ሰብኣዊ ሓገዝ ክህሉ ከምዝገብርን ካብዝገለጸሉ፡ ናብ ክልል ትግራይ ዝተልኣኸ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓነ ተሽከርካሪ ከምዘየለ ይገልፉ ኣለዉ። ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ ተጻብኦ ደው ከምዘብሉን ኣድላዪ ምትሕብባር ከምዝገብሩን ካብ ዝሓለፈ 24 መጋቢት 2022 ዝገለጹ መራሕቲ ትግራይ ትማሊ ብወገን ዝምድናታት ወጻኢ ትግራይ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ መዓልቲታት ናብ ትግራይ ዝኣተወ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘየለ ኣፍሊጦም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ይኣቱ ከምዘሎ ዝገልጹ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ይነዝሕ ኣሎ ክብል ዝኸስስ መግለጺ መራሕቲ ትግራይ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይዝኾነ ምትዕንቓፍ ክበጽሕ ምግባር ካብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ተነጺሉ ክረኣይ ኣለዎ ኢሉ። ብተወሳኺ ናይ ቃላት ጸወታ ከብቅዕ ማሕበረ ሰብ ዓለም ክጠልብ ይግባእ ዝበለ እቲ መግለጺ \"ብመሰረት ዝተበጸሐ ምርድዳእ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ክልል ትግራይ ዘይተገደበ ረድኤት ክኣቱ ክፈቅድ እኹል ጸቕጢ ክገብር\" ጸዊዑ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምስላጥ ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት ይወስድ ከምዘሎን ኣብ ሰሙን ክልተ ግዘ ዝካየድ ዝነበረ በረራ ሰብኣዊ ሓገዝ መዓልታዊ ክካየድ ከምዘፈቐደን ኣፍሊጡ ኣሎ። ብተወሳኺ ሓገዝ ብመሬት ብወገን ኣብዓላ ከቕርብ ከምዝወሰነ ኣገልግሎት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ገሊጹ። ኣብዓላ ኣብ ክልል ዓፋር እትርከብ ወረዳ ኮይና፡ ቀንዲ መተሓላለፊት ሰመራ መቐለ እያ። ኣብዓላ ኣብ ኢድ ሓይልታት ትግራይ ካብ እትኣቱ ኣዋርሕ ተቖጺሩ ኣሎ። ናብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ ንምሕጋዝ ድሉው ምዃኑ ዝገልጽ መንግስቲ ፌደራል፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ዝሓዙዎም ካባቢታት ኣምሓራን ዓፋርን ክወጽኡን ጎንጺ ደው ንምባል ዝኣተዉዎ ቃል ክፍጽሙን ዓለም ለኻዊ ትካላት ጸቕጢ ክገብሩ ጸዊዑ። ሰብመዚ ትግራይ ብወገኖም ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ንክኣቱ ጎንጺ ደው ከምዘበሉ ብምዝኽኻር ማሕበረ ሰብ ዓለም ናብ ትግራይ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ይበጽሕ ምህላዉ ከረጋግጽ ጸዊዖም ኣለዉ። ኣብታ ብሰንኪ እቲ ቅድሚ ዓመትን ፈረቓን ዝተወለዐ ኲናት ዝተሃሰየት ትግራይ ዝርከቡ ነበርቲ ንምሕጋዝ መዓልታዊ 100 ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ክኣትዋ ከምዘለወን ሕቡራት ሃገራት ዝገለጸ ኮይኑ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ዝቋረጽ ግን ኣዋርሕ ተቆጺሩ እዩ። በዚ ምኽንያት ብዙሓት ሰባት ንከቢድ ጸገም ዝተቓልጩ ኮይኖም፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብዙሓት ሰባት ምስ ትግራይ ናብ ዝዋሰና ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝተሰደዱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ እዩ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60921093"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ረድኤት ዝጸዓና መካይን ቀይሕ መስቀል ናብ ትግራይ ኣትየን","content":"ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንፈለማ ግዘ መድሃኒታት፣ ናውታት ሕክምናን ሓገዝ መግብን ዝጽዓና መካይን ናብ ትግራይ ከም ዘእተወ ገሊጹ፡፡ እተን ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ትማሊ ቀዳም 24 መጋቢት 2014 ዓ.ም ናብ ትግራይ ምእታወን ዝገለጸ እቲ ማሕበር እተን ብክልል ዓፋር ኣቢለን ዝኣተዋ ተሽከርከርቲ ናይ ማይ ፓምፕታት፣ ናይ ማይ መሐከሚ ኬሚካላትን ብጸሓይ ዝሰርሕ( ሶላር) ፋኑሳትን ከም ዝሓዛ ኣፍሊጡ፡፡ ውድብ መግቢ ዓለም እውን ኣብዚ ሰሙን ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና 13 መካይኑ ኣብ ከተማ መቐለ ከም ዝበጸሓን ብተወሳኺ ድሕሪ ሸሞንተ ኣዋርሕ 47 ሽሕ ሊትር ነዳዲ ናብ ከተማ መቐለ ከም ዘብጸሐን ሓቢሩ እዩ፡፡ እንተኾነ ኣብታ ብኲናት ዝተሃሰየት ትግራይ ዘሎ ሰፊሕ ጠለብ ንምምላእ ሰሙናዊ ኣስታት 200 ሽሕ ሊትር ነዳዲ ከም ዘድሊ ውድብ ምግቢ ዓለም ገሊጹ ኣሎ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊ ዓለምለኸ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ኒኮላስ ቮን ኣርክስ ‘‘ኣብ ትግራይ ብኲናት ዝተጎድኡ ነበርቲ ኣገልግሎት ሕክምና፣ እኹል ቀረብ ምግብን መሰረታዊ ኣቑሑትን ኣገልግሎትን ኣብ ዘይረኽቡሉ ኣዝዩ ፈታኒ ኩነታት ይነብሩ ኣለዉ’’ ክብል ተዛሪቡ፡፡ ‘‘ብተወሳኺ ናይ መድሓኒትን መሳርሒታት ሕክምናን ሕጽረት ኣብ ሓለዋ ጥዕና እቲ ክልልን ሰብሞያ ጥዕናን ዓብዪ ጸቕጢ ፈጢሩ’’ ክብል ወሲኹ ገሊጹ፡፡ ኣብ ትግራይ ማእከላት ጥዕና ብሰንኪ ሕጽረት ኣድለይቲ መድሓኒታት ስራሕ ደው ከም ዘበላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘፍለጠ ኮይኑ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሰብ ሞያ ሕክምና እውን ብሰንኪ ሕጽረት መድሓኒት ህጻናት ዝርከቡዎም ሕሙማት ይሞቱ ከምዘለዉ ምግላጾም ይዝከር፡፡ ‘‘ኣብዚ እዋን ብዝተበጸሐ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕን ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ኣድላዪ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ንክኣቱ ብዘርኣይዎ ድልየትን ዓለምለኻዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ሕጉስ እዩ’’ ኢሉ ኒኮላስ፡፡ ብተወሳኺ ‘‘በብእዋኑ ናብቲ ክልል ሰብኣዊ ሓገዝ ምብጽሑ ወሳኒ እዩ’’ ምባሉ እውን እቲ ትካል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ፡፡ እቲ ትካል ቅድሚ ሕዚ ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ብዘካየዶም 40 በረራታት ህይወት ዘድሕኑ ከም ኢንሱሊን፣ ሄሞዳያሊስስ፣ ኦክሲቶሲን፣ ቴታነስ ቶክሳይድን ዝበሉ መድሓኒታትን ጓንቲታትን ናይ መጥባሕቲ ናውታትን ናብ ትግራይ ኣብጺሑ እዩ፡፡ ካብ ትግራይ ብተወሳኺ ኣብ ክልል ዓፋር ንዝርከቡ 9 ሽሕ ተፈናቐልቲ ናይ ምግቢ፣ እኽልን ዘይትን ሓገዝ ገይሩ እዩ፡፡ ነቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝተበጸሐ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ስዒቡ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ሓገዝ ክውስኽ እዩ ዝብል ተስፋ ዓምቢቡ ኣሎ፡፡ እቲ 17 ኣዋርሕ ዘቑጸረ ኲናት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ነበርቲ ትግራይ ተጸበይቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኾኑ ዝገበረ ኮይኑ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንጥምየት ክቃልዑ ገይሩ፡፡ ብተወሳኺ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተጋፈሐ ደማዊ ኲናት ኣሻሓት ህይወቶም ስኢኖም፡ ሚልዮናት ተፈናቒሎምን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢምዎምን እዩ፡፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣስታት 10 ሚልዮን ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝገልጽ ኮይኑ ካብዚኦም እቶም ልዕሊ ፍርቂ ኣብ ክልል ትግራይ ከም ዝኾኑ ሓቢሩ እዩ፡፡ እቲ ኲናት ሰላማዊ መፍትሒ ክረክብ ኣመሪካን ሕብረት ኣፍሪቃን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣካላትን ሃገራትን ጻዕሪ የካይዱ ኣለዉ፡፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝተኣወጀ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ እውን ምፍሳስ ደም ደው ናብ ዘብል ዘተ ከምርሕ ይኽእል እዩ ዝብል ተስፋ ተገይሩሉ ኣሎ፡፡","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60972782"} {"headline":"ውድብ መግቢ ዓለም፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ናብ ትግራይ ዝተላእኸ ረድኤት የለን ኢሉ","content":"ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ናብ ትግራይ ዝተላእኸ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘየለ ገሊጹ። ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ነዳድን መግብን ዝጽዓና ተሽከርከርቲ ካብ ርእሰ ከተማ ዓፋር ዝኾነት ሰመራ ናብ መቐለ ከም ዝተበገሳ ገሊጹ ምንባሩ ይፍለጥ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ [ብ10ን 11ን መጋቢት 2914 ዓ.ም ኣቆጻጽራ ግእዝ] መዕረፊአን ኣብ ውሽጢ ክልል ዓፋር ዝኾና ሰብኣዊ ረድኤት ዝጽዓና መካይን ካብ ሰመራ ከም ዝተበገሳ ገሊጹ። ወሃቢ ቃል እቲ ትካል ብኢሜይል ኣብ ዝልኣኸ መልሲ \"ናብ ትግራይ ዘይኮነ ኣብ ዓፋር ንዘለው ሕብረተሰብ ንምብጻሕ ተንቀሳቒሰን ነይረን\" ኢሉ። ይኹን'ምበር እተን ቃፍላይ መካይን ናብቲ ዝሓሰብኦ ቦታ ከይበጽሓ ኣብ ውሽጢ ዓፋር ዘለው \"ኣባላት ሕብረተሰብ\" ንከይሓልፋ ስለ ዝገበሩ ምስ ጽዕነተን \"ብሰላም ናብ ሰመራ ተመሊሰን\" ክብል እቲ ወሃቢ ቃል ኣረዲኡ። ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ብዓርቢ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ሰብኣዊ ረድኤት ዝጽዓና 20 ከምኡ'ውን ሰለስተ ነዳዲ ዝጽዓና መካይን ብሓሙስ 08 መጋቢት 2014 ካብ ሰመራ ናብ መቐኀ ይኸዳ ኣለዋ ኢሉ ነይሩ። እቲ ሚኒስትሪ ግን፡ ኣብ መግለጺኡ መንግስቲ ፌደራል ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ንምብጻሕ ሃናጺ ተራ የበርክት ኣሎ ብምባል ሓይልታት ትግራይ ግን ኣብ ክልል ዓፋር ብዝኸፈቱዎ ኲናት መተሓላለፊ ሰብኣዊ ረድኤት ዝኾነ መስመር ኣብዓላ ስለ ዝተዓጽወ ረድኤት ናይ ምቕራብ ስራሕቲ ተሰናኺሉ ኢሉ። ብተወሳኺ ካብ 7 መጋቢት 2014 ጀሚሩ 17 ትካላት ረድኤት መድሃኒት፣ ናውታት ሕክምናን ቐረብ መግብን ናብ ትግራይ ንከጉዓዕዙ ፍቓድ ረኺቦም ክብል ኣብቲ መግለጺኡ ጠቒሱ። ብኻልእ ወገን ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ዝሓለፈ ሮቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ካብ መፋርቕ ታሕሳስ 2014 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ጀሚሩ ናብ ትግራይ ዝተላእኸ ረድኤት የለን ዝበለ ኮይኑ፡ 83 ሚኢታዊት ህዝቢ ተጸባዪ ረድኤት ከምዝኾነ ሓቢሩ ነይሩ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ትግራይ ዝተልኣኸ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘለየ ብምዝኽኻር፡ ኣብ ቀረባ ግን መንግስቲ ፌደራልን ሰብ መዚ ክልል ዓፋርን ረድኤት ናብቲ ክልል ንክኣቱ ምፍቃዶም ዝተባባዕ ከም ዝኾነ ብምግላጽ ምስ ኣመራርሓ ፌደራልን ክልላትን ብሓባር ከም ዝሰርሑ ንቢቢሲ ገሊጹ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ትግራይ ልዕሊ 5 ሚሊዮን ህዝቢ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘድልዮ ገሊጹ ነይሩ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60831275"} {"headline":"ቀይሕ መስቀል ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ንፈለማ እዋን ናብ ትግራይ መድሓኒት ከምዘብጸሐ ገሊጹ","content":"ዓለም ለኻዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ንፈለማ እዋን ናብታ ብሰንኪ ኲናትን ዕጽዋን ዝተሃሰየት ትግራይ ሓገዝ መድሓኒት ከም ዘብጸሐ ገሊጹ፡፡ እዚ ዜና ነታ ብሰንኪ እቲ ካብ ዝጅመር 15 ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት፡ ብሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት እትሳቐ ዘላ ክልል ተስፋ ዝህብ እዩ፡፡ ኣተሓባባሪ ጥዕና ቀይሕ መስቀል ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ምዕባለ ‘‘ዓብዪ ሩፍታ’’ ዝፈጥር እዩ ኢሉ፡፡ ኣድለይቲ መድሃኒት ዝሓዘት ነፋሪት ሎሚ ረቡዕ ናብታ ርእሰ ከተማ ትግራይ ዝኾነት መቐለ ከምዝኣተዋን፡ ቀይሕ መስቀል ኣብ ዝቕጽሉ መዓልቲታት'ውን ተወሰኽቲ በረራታት ከካይድ ምዃኑ፡ ከምኡ'ውን ብመሬት ናይ ጽዕነት መካይን ንምልኣኽ መደብ ከምዘለዎን ኣፍሊጡ'ሎ። እቲ ምዕባለ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ዝግበር በረራታት ቀረብ መድሓኒትን መግብን ንምስላጥ ከም ዝሰርሕ ቃል ምእታዉ ስዒቡ እዩ መጺኡ ዘሎ፡፡ እንተኾነ እቲ ከም ብሓድሽ ኣብ መንጎ መዋሰንቲ ከባቢታት ትግራይን ዓፋርን ተወሊዑ ዘሎ ጎንጺ ነቲ ብመሬት ዝግበር ምጉዕዓዝ ሰብኣዊ ሓገዝ ክተሓላለኽ ገይሩዎ ኣሎ፡፡ ዓለም ለኻዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሕጽረት መሳርሒ ሕክምና ዶኳትር ንሓደ ግዘ ጥራሕ ዘገልግሉ ጓንትታትን መሳርሒታት መጥባሕትን ሓጺቦም ደጊሞም ክጥቀሙሉ ከም ዝተገደዱ ገሊጹ ነይሩ፡፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ብተመሳሳሊ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ናብ ትግራይ ሓገዝ መድሓኒት ከየእቱ ከም ዝተኸልከለ ገሊጹ ነይሩ፡፡ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተጀሚሩ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝተጋፍሐ ኲናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣስታት ሸውዓተ ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኾኑ ከም ዝገበረ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ፡፡ እቲ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ንከብቅዕ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣመሪካን ኬንያን ዝርከበአን ሃገራትን ጻዕሪ ይገብራ ኣለዋ፡፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶን ጉተረዝ፡ እቲ ብፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጄርያ ነበር ኦባሳንጆ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ጭቡጥ ተስፋታት ከም ዝተረኸቦ ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ገሊጹ ነይሩ፡፡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ትግራይ ንምዝርራብ ድልው ከም ዝኾነ ምዝራቡ እውን ማዕኸን ዜና ኣሶሺየትድ ፕረስ (ኤፒ) ጸብጺቡ። ምስቲ ቀዳማይ ሚንስተር ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ዘተ ዘካየዱ ኣባላት ጉጅለ ዳያስፖራ ነጊሮምኒ ክብል ኣብ ዝዘርግሖ ዜና፡ መንግስቲ ፌደራል ምስቶም ንዝሓለፉ 15 ኣዋርሕ ክዋግኦም ዝጸንሐ ሓይልታት ትግራይ ናብ ድርድር ንምምጻእ ድልው ከም ዝኾነ ምሕባሩ ኣመልኪቱ። እንተኾነ ኣብ ባይታ ግን ዛጊድ እቲ ኲናት ጠጠው ኣይበለን፡፡ ብፍላይ ኣብ መዋሰንቲ ክልላት ዓፋርን ትግራይን ከቢድ ኲናት ይካየድ ከምዘሎ ዝተሓበረ ኮይኑ፡ ሓይልታት ትግራይ ንገለ ካበቢታት ዓፋር ከም ዝተቖጻጸሩ ተገሊጹ ኣሎ፡፡","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60144476"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ህወሓት ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝርርብ ከም ዝጀመረ ገሊጹ","content":"ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ መራሕቲ እቲ ክልልን መንግስቲ ፌደራልን ናብ ልዝብ ንክመጽኡ ዝግበሩ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕርታት ምዕባለ ከርእዩ ከም ዝጀመሩ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ብሰንኪ ኲናት ዘስዓቦ ሰብኣዊ ቅልውላው ህዝቢ እቲ ክልል ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቑ ብምህላው ኲናት ጠጠው ንምባልን ናብ ድርድር ንምምጻእን ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝርርብ ከም ዝጀመሩ'ውን ሓቢሩ። \"ምስ መንግስቲ ፌደራል ክንዘራረብ ጀሚርና ኣለና፤ ብሞንጎኛታት ዝግበሩ ዝርርባትን ርክባትን ኣለው'ዮም። ኣብዚ ዝርኣዩ ምዕባለታት'ውን ኣለው፤ ግን እቲ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕረ ፍረ ንከምጽእ ንጽበ ኣለና\" ክብል ዶክተር ደብረጽዮን ተዛሪቡ። ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ትግራይ ንምዝርራብ ድልው ከም ዝኾነ ምዝራቡ ማዕኸን ዜና ኣሶሺየትድ ፕረዝ (ኤፒ) ጸብጺቡ ነይሩ። ዛጊድ ግን ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኮነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ዝበሃል ዘሎ ድርድር ብወግዒ ዝገለጽዎ ነገር የለን። ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ምስ 'ቢቢሲ ኒውስ ኣወር' ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት፡ ኣብቲ ክልል \"ሰብ ብጥምየት ይመውት ኣሎ፤ ህዝብና ዝነብሮ ዘሎ ገሃነም ክትግምቶ ትኽእል ኢኻ። መንግስቲ ፌደራል ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀመሉ ኣሎ\" ክብል ከሲሱ። መንግስቲ ግን ነቲ ክሲ ብምንጻግ ሰባዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ክኣቱ ከምዘፍቀደ ይምጉት። ስለ ዝኾነ ድማ ኩሎም ተጻባእቲ ሓይልታት ውግእ ጠጠው ከብሉን ንሰላም ዕድል ክህቡን ከም ዘለዎም ጸዊዑ። \"ሰራዊት ፌደራል ኮነ ሓይልታትና ኲናት ጠጠው ኣቢሎም ንሰላም ዕድል ክህቡ ኣለዎም። ኣገደስቲ ቐረባት'ውን ናብ ህዝቢ ክበጽሑ ኣለዎም። ኩላትና ኣብ ልዝብ ናብ ዝተሞርኮዘ ምቁራጽ ተጻብኦ ነምርሕ። እንተኾነ ሕጂ'ውን ኣብ ትግራይ ዘለው ወተሃደራት ኤርትራን ሚሊሻ ኣምሓራን ኩሎም ካብ ትግራይ ክወጽኡ ኣለዎም። ካልእ ደጋዊ ኢድ ኣእታውነት'ውን ጠጠው ክብል ኣለዎ\" ኢሉ። እንተኾነ፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ኣብ መዋስንቲ ከባቢታት ክልላት ትግራይን ዓፋርን ሓድሽ ግጭት ከም ዝተወልዐ ክግለጽ እንከሎ፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ዓፋር ዘሊቖም ብምእታው ሰለስተ ወረዳታት ከም ዝተቖጻጸሩ መንግስቲ ክልል ዓፋር ገሊጹ ነይሩ። ሓይልታት ህወሓት ብወገኖም ብሸነኽ ዓፋር ንዝተፈነወሎም መጥቃዕቲ ክከላኸሉ ምጽንሖምን ብሰኑይ \"ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስዱ ከም ዝተገደዱን\" ገሊጾም'ዮም። \"ንሰሙናት ፍሉይ ሓይሊን ሚሊሻን ዓፋርን ሰራዊት ኤርትራን ናብ ትግራይ ተጸጊዖም ኣንጻር ሓይልታትና መጥቃዕቲ ይፍጽሙ ነይሮም፤ ሰብኣዊ ረድኤት ተዓናቒፉ፣ ኣማኢት ተጋሩ ቐቲሎም ንብረቶም ዘሚቶም፣ ኣሽሓት ክኣ ተኣሲሮም'ዮም። ኣብ መወዳእታ ንጸጥታዊ ጉዳያት ክንብል መልሲ ክንህብ ነይሩና\" ኢሉ። ብወገን ኤርትራ ግን ብዛዕባ'ቲ ክሲ ዝተዋህበ ወግዓዊ ግብረመልሲ የለን። ሰብመዚ ክልል ዓፋር ብወገኖም: ሓይልታት ትግራይ ኣብቶም ዝተቖጻጸርዎም ቦታታት ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ኣውሪዶም ክብሉ ይኸሱ። ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት [ኦቻ] ትማሊ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣብ ትግራይን ዝተፈላለዩ መዋስንቲ ከባቢታት ዓፋርን ኣምሓራን ውግኣት ከም ዘለው ምግላጹ ይዝከር። ኣብ ምዕራብ ትግራይ፣ ኣብ መዋስንቲ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን፣ ክልል ዓፋር፣ ሰሜን ጎንደር ዋግ ኽምራን ዞባታት ሰሜን ወሎም ውግኣት ከም ዘለው ሓበሬታ በጺሑኒ ኢሉ። ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ደቡብ ምዕራብ ከተማ ሸራሮ፣ ወልቃይት ጸገዴን ዞባ ምዕራብ ከተማ ሑመራን ውግኣት ከም ዝቐጸሉ ኣፍሊጡ። ኣብታ ክልል ኩሉ መስመራት ርክብ ተዓጽዩ ብምህላዉ፡ ቢቢሲ ነቲ ኩነታት ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይክኣለን። እዚኦም ናብቶም ብኲናት ዝተሃሰዩ ሰባት ቀረባት ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ዝግበሩ ምንቅስቃሳት ከተዓናቕፉ ምኽንያት ከም ዝኾኑ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ይገልጹ። ሰብኣዊ ቅልውላው ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ኢንተርነትን ቴሌኮምዩኒኬሽንን፣ መጓዓዝያ ምድርን ነፋሪትን ከምኡ'ውን ኤሌክትሪክን ባንክን ተዓጺዮም፡ እታ ክልል ንዝበዝሐ እዋን ተኸርዲና ብምጽንሓ፡ ቀረባት ሕክምናን መግቢን ንምብጻሕ ኣጸጋሚ ኮይኑ'ዩ ጸኒሑ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ቁጽሪ ናይቶም ከቢድ ጥምየት ዘጋጠሞም ሰባት ይውስኽ ከም ዘሎ ገሊጹ። እቲ ትካል ከም ዝብሎ፡ 2.2 ሚልዮን ሰባት \"ብሰንኪ ሕሉፍ ጥምየት\" ይሳቐዩ ኣለዉ። ዶክተር ደብረጽዮን፡ ኣብቲ ክልል ኣንጸላሊው ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍታሕን ኲናት ጠጠው ንምባልን ድልውነት ከም ዘለዎም ገሊጹ ኣሎ። \"ንሕና ድሉዋት ኢና፤ ንሰላም ዕድል ክንህብ ኣለና፤ ካብ ሰላም ወጻእ ፖለቲካዊ ፍታሕ ይትረፍ ህዝብና ዘድልዮ ቐረብ ክነቕርብ ኣይንኽእልን፤ ህዝቢ ብሰንኪ እዚ ዕጽዋ ክሃልቕ'ዩ። ስለዚ ንሰላም ዕድል ክንህብ ኣለና። ነዚ ክንብል ኢና'ውን ሰራዊትና ስሒብና። ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኬንያን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ድማ ንተሓባበር ኢና ዘለና\" ክብል ተዛሪቡ። በቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐን ዝቕጽል ዘሎን ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ትሸዓተ ሚልዮን ሰባት ናይ መግቢ ሓገዝ ከም ዘድልዮም እቲ ትካል ገሊጹ'ሎ። እቲ ንኣስታት 15 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ሰፊሕ ምፍንቓልን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ምስዓቡ ይፍለጥ። ብሰንኪ እዚ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት'ውን ከም ዝተቐትሉ ይግለጽ። ነቶም ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዝዋግኡ ዘለዉ ተጻባእቲ ሓይልታት ናብ ድርድር ንምምጻእ ዝዓለመ ዓለምለኻዊ ጻዕሪታት ይካየድ ምህላዉ ይፍለጥ። ብፍላይ ኣሜሪካን ሕብረት ኣፍሪቃን እቶም ሓይልታት ፍልልያቶም ብዘተ ፈቲሖም ነቶም ብኲናት ዝተሃሰዩ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽበጽሖም ኣብ ምስራሕ ይርከቡ። እቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተወከለ ፍሉይ ልኡኽ ኦሌሴጉን ኦባሳንጆ'ውን ንሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፤ ንሰበስልጣን ትግራይ ድማ ኣብ መቐለ እናረኸበ ብተደጋጋሚ ኣዘራሪብዎም'ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ እቲ ንጄፍሪ ፌልትማን ዝተከአ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ዴቪድ ሳተርፊልድ ናብ ኢትዮጵያ ብምኻድ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ከም ዝተዘራረበ ይፍለጥ። እዚ ኩሉ ጻዕሪታት፡ እቶም ኣብ ጎንጺ ዘለዉ ተጻባእቲ ሓይልታት ፍልልያቶም ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ክፈትሑ ንምግባር'ኳ እንተኾነ ዛጊድ ግን ጭቡጥ ዝኾነ ውጽኢት ኣይተረኣየን። ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ እቲ ኲናት ደው ንኽብልን ሰላም ንምምጻእን ዘኽእል ተስፋ ዝህብ ጻዕሪታት ምህላዉ ከም ዘሐጎሶ ሓቢሩ ነይሩ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60063076"} {"headline":"ረዲኤት ዝጸዓና መካይን፡ ድሕሪ ታሕሳስ ንፈለማ ግዜ መቐለ ኣትየን","content":"ካብ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ንፈላማ እዋን፡ ሰብኣዊ ረድኤት ዝጸዓና መኻይን ናብ ትግራይ ምእታወን ውድብ ምግቢ ዓለም ገሊጹ። ትማሊ፡ 23 መጋቢት 2014፡ ረድኤት ዘጸዓና 13 መኻይን ናብ ርአሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ምብጸሐን እዩ፡ እቲ ትካል ኣፍሊጡ። ውድብ ምግቢ ዓለም፡ ተወሳኺ ረድኤት ዝጸዓና መኻይን ሎሚ ንግሆ ናብ መቐለ ከምዝኣትዋ ሓቢሩ ኣሎ። ወሃቢ ቃል ህወሓት፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ድሕሪ ኣዋርሕ ፡ እዚ ጽቡቕ ጅማሮ'ኳ እንተኾነ፡ \"ክንደይ መካይን ተፈቒዱለን ዘይኮነስ፡ ድጋፍ ንዘድልዮ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረድኤት ዝሓልፈሉ ስርዓት ተዘርጊሑ ዶ ዝብል እዩ ክኸውን ዘለዎ፡\" ኢሉ። ኣብ ትግራይ ብሚልዮናት ዝቝጸር ህዝቢ ንጥሜት ተቓሊዑ ከምዘሎ ጸብጻበት ይሕብሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን፡ ሰብኣዊ ተዅሲ ደው ዘበሉ ኾይኖም፡ ረድኤት ኣብ ምሕላፍ ዛጊድ ብዙሕ ምምሕያሻት ኣይተርአየን ነይሩ። እቲ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ውሳነ፡ ተግባራዊ ክኸውን ዝኽእል ብቕልጡፍ ረድኤት ክበጽሕ እንተኽኢሉ ጥራይ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ። ክልቲኦም ወገናት፡ ሰብኣዊ ረድኤት ምእንቲ ክባጻሕ፡ ተዅሲ ደው ከም ዘበሉ ምግላጾም ዓቢ ተስፋ ፈጢሩ ነይሩ። እንተኾነ፡ መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን ንሓድሕዶም ምክሳስ ቀጺሎም ነይሮም። ኣብ ትግራይ ኣብ ሕሱም ጥሜት ዝርከብ ህዝቢ ንምድሓን፡ መዓልታዊ 100 መካይን ክጓዓዛ ከምዘለወን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። ድሕሪ ሓሙሽተ ወርሒ እገዳ፡ ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ መሳርሒታት መድሃኒት ብነፈርቲ ከሕልፍ ከም ዝተፈቕደሉ ዝገልጽ እቲ ማሕበር፡ ብምድሪ ረድኤት ከሕልፍ ከምዘይከኣለ ትማሊ ኣፍሊጡ። እቲ ማሕበር ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ'ቲ ተደጋጋሚ ዘጋጥም ዕንቅፋታት ፡ ረዲኤት ዝጸዓና መካይን ናብቲ ክልል ከብጽሕ ከም ዘይከኣለ ሓቢሩ። ከምኡ ኮይኑ'ውን፡ እቲ ማሕበር፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ 38 በራራታት ብምክያድ፡ ዝተፈላለዩ መድሃኒታትን መሳርሒ ሕክምናን ናብቲ ክልል ከም ዘብጽሐ ንቢቢሲ ገሊጹ። ወሃቢ ቃል እቲ ማሕበር፡ ፋጥማ ሳቶር፡ ኣብቲ ክልል ምስ ዘሎ ሰፊሕ ተጸባይነት፡ እቲ ዝበጽሕ ዘሎ መጠን፡ ዳርጋ 'ሕፍኒ ካብ ውቅያኖስ' እዩ ኢላ። ኣብ ርእሲኡ፡ ብሰንኪ ሕሱም ሕጽረት መድሃኒትን መሳርሒታት ሕክምናን፡ ዶክተራት፡ ናይ ኢድ ጓንቲ ከይተረፈ ሐሓጺቦም ደጎጊሞም ክጥቀምሉ ይግደዱ ከምዘለዉ ወሲኻ ሓቢራ። ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ረድኤት ዝጸዓና መኻይን ናብቲ ክልል ክኣትዋ ምፍቃድ፡ እቲ ትካል ንዝገብሮ ሓገዝ ኣዝዩ ከመሕይሾ ምዃኑ ይኣምን። ትካላት ረድኤት፡ \"መንግስቲ ኮነ ኢሉ ረድኤት ከይሓልፍ ከልኪሉ\" ኢሎም ዝኸስዎ ኮይኖም፡ መንግስቲ ግን ነዚ ክሲ ኣይቕበሎን።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60964902"} {"headline":"ማሕበር ቐይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ቀሌም ወለጋ ኣምቡላንሳት ከምዝጠፍአኦ ገሊጹ","content":"ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቀሌም ወለጋ ክልተ ኣምቡላንሳት ከም ዝተወስድኦ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ሰብኣዊ ዲፕሎማስን ርክባትን እቲ ማሕበር ዶክተር ሰለሞን ዓሊ ኣብ ጨንፈር እቲ ዞባ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ክጥቀመለን ዝጸንሓ ክልተ ኣምቡላንሳት ኣብ ስራሕ እናሃለዋ ከም ዝተወስዳ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ድሕነት መራሕቲ እተን ኣንቡላንሳት ውሑስ ከም ዝኾነ ብምግላጽ፡ ብመን ተወሲደን? ንምንታይከ ተወሲደን? ዝብል ዝርዝር ሓበሬታ ከም ዘይብሎምን ኣብ ቐጻሊ ኣገዳሲ ብዝኾነ መገዲ ወግዓዊ ከም ዝገብሩዎን ሓቢሩ። ኣብቲ ዞባ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ዝተዋፈራ 11 ኣምቡላንሳት ዘለዋ ኮይነን እተን ክልተ ግን ብዘይተፈልጠ መገዲ ከም ዝተወስዳ ክግለጽ እንከሎ፡ እቲ ተግባር ኢትዮጵያ ንዝፈረመቶ ዓለምለኻዊ ስምምዕ ጄኔቭ ዝጻባእን ካብ ዕላማ እቲ ማሕበር ወጻእ ከም ዝኾነን ብምግላጽ እተን ኣምቡላንሳት ንክመለሳ እቲ ማሕበር ሓቲቱ ኣሎ። ኣርማ ቀይሕ መስቀል ዘለወን ኣምቡላንሳት ኮና ሰራሕተኛታት ኣብ ኣገልግሎት ሰናይ ፈቓድ ናጻን ዘይሻራውን ኮይኖም ንክንቀሳቐሱ ዘኽእል ስምምዕ ጄኔቭ ከም ዘሎ ዶክተር ሰለሞን የረድእ። ብተወሳኺ ኣምቡላንሳት ብሓይሊ ምውሳድ፣ ብሓይሊ ምጥቃም ኮነ ኣብ ዘየድሊ ኩነታት ክውዕላ ምግባር ኣብ ሕጊ መቕጽዒ ገበን ኢትዮጵያ ገበን ኮይኑ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ዘእስር ተግባር እዩ ክብል የረድእ። እንተኾነ ቀይሕ መስቀል ኲናትን ጎንጽን ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ከምዚ ዓይነት ኩነታት ብዙሕ ግዜ ከም ዘጋጥም ዶክተር ሰለሞን ተዛሪቡ። ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብቲ ከበባኢ ክልተ ኣምቡላንሳት ከም ዝተቓጸላ ኣዘኻኺሩ። እቲ ማሕበር ኣብ ውሽጢ ናይ 86 ዓመት ታሪኹ ኣብ እዋን ወራር ጥልያን ኣምቡላንሳትን ሰራሕተኛታት ሰናይ ፍቓድን ሓዊሱ ብደብዳብ ነፈርቲ ከም ዝድብደቡ ብምግላጽ ኣብ እዋን ጎንጽን ኲናትን ብዙሕ ከም ዘጋጥም ይጥቅስ። ኣብ መወዳእታ ዓመት 2020 ብዝተወልዐ ኲናት ትግራይ'ውን ኣብ ከባቢታት ሑመራን ጭልጋን ኣምቡላንሳት ብጥይት ዝተሃረማ ኮይነን ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ሓደጋ ከም ዘይበጽሐ እቲ ሓላፊ ኣረዲኡ። ኣብ ትግራይ ልዕሊ 200 ኣምቡላንሳት ኣበይ ከም ዘለዋ ከም ዘይፍለጥን ሓሓሊፉ እተን ኣምቡላንሳት ጠፊአን ኣብ ካልእ ቦታታት ዝርከባሉ ኣጋጣሚ ምህላው ሓቢሩ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ሰሙን ወሎ፣ ጎንደር ኣምቡላንሳት ጠፊአን ከም ዝተመለሳ ገሊጹ። ኣብዚ ዓመት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ብተኸታታሊ ኣምቡላንሳት ንሓደጋ ዝተቓልዓሉን ዝተሰወራሉን ኩነታት ምህላው ዝጠቅስ ዶክተር ሰለሞን፡ እዚ ንዝምለከቶም ኣካላት መንግስቲ ክበጽሖም ከም ዝተገብረ ተዛሪቡ። ብፍላይ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝቕጽል ዘሎ ኲናት ብዝተሓሓዝ ንኣዋርሕ ሰራሕተኛታት እቲ ማሕበር ዘይርከብሉ ኣጋጣሚታት ከም ዘሎን ከምኡ'ውን ኣብ ትግራይ ካብ 400 ክሳብ 500 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ኣብ ዘጸግም ኩነታት ኮይኖም ይሰርሑ ምህላዎም ሓቢሩ። ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ 45 ሽሕ ዝሰልጠኑ ወለተኛታት ሓዊሱ 200 ሽሕ ወለንተኛታትን ልዕሊ ሽዱሽተ ሚሊዮን ኣባላትን ኣለዎ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60385200"} {"headline":"ኲናት ዩክሬን፡ 'ወደይ ንጽባሕ ክኾነና እናበለ መግቢ ይሓብእ'","content":"ኣብታ ብወተሃደራት ሩስያ ተኸርዲና ዘላ ዩክሬናዊት ከተማ ማሪዩፑል ዝርከቡ ዓሰርታት ኣሽሓት ሰላማውያን ሰባት፡ ኣገልግሎት መብራህቲ፣ ዝስተ ማይን ነዳድን የብሎምን። ሓገዝ ንምብጻሕን ሰላማውያን ሰባት ካብታ ከተማ ንምውጻእን ኮሪደር ንምኽፋት ዝተደገበሩ ተደጋጋሚ ጻዕርታት'ውን ፈሺሎም እዮም። እቶም ዕድል ቀኒዑዎም ካብታ ከተማ ዝወጽኡ ክኣ፡ ስቓዮም ብኡ ኣየብቅዐን፤ ብፍላይ ንደቆም። እዞም ሰባት፡ ካብታ ዝነብሩላ ከተማ ምስ ወጽኡ መጀመርታ ዝገበርዎ ነገር ማይ፣ ሕብስትን ግዕዝም መሳሊ ዝተጠቕለለ ስጋን እዮም ገዚኦም። ናዲያ ዴንሴንኮን ደቃን፡ ንሰለስተ ሰሙን ኣብ ውሽጢ እታ ዝተኸርደነት፣ ብተዳጋጋሚ መጥቃዕቲ ዝበጽሓ ከተማ፡ ብሰንኪ ደብዳብ ከቢድ ብረት መሳኹቱ ኣብ ዝዓነወ ገዝኣ ንሰለስተ ሳምንታት ጸኒሓ። ሽዑ ውሑድ መግቢ እኳ እንተነበረን ዝስተ ማይ ግን ኣብዚ እቶ ዝብሃል ኣይነበረን። ናዲያ፡ ምስ'ቶም 14 ከምኡ'ውን 5 ዓመት ዝገበሩ ኣወዳትን 12 ዓመት ዝዕድሚኣ ጓላን ብተዛማዲ ውሑስና ናብ እትረኽበሉ ቦታ ምስ በጽሐት፡ \"ዕሹግ ማይ ምስ ረኸብና ኣዚና ተሓጒስና፤ ኣብ ውሽጢ ካልኢታት ወዲእናዮ\" ትብል። \"እቲ ኲናት ክጅምር እንከሎ፡ ንኡሽቶ ወደይ 'ኣደይ፡ ሕብስቲ ምደለኹ' ኢሉኒ\" ኢላ። ኣብ ውሽጢ ማርዩፑል፡ ንመዓልታት ድልዱል መናድቕ ኣብ ዘለዎ መተሓላለፊ'ዮም ተጸጊዖም ኣሕሊፎምዎ፤ ለይቲ ድማ ኣብ ትሕቲ መሬት። ሓሓሊፉ ካብ ቐረባ፣ ሓሓሊፉ ድማ ካብ ርሑቕ ብዝስማዕ ደብዳባት ክድቅሱ ኣይኽእሉን ነይሮም። \"ገሃነም'ዩ፤ ገሃነም። ንጉሆ ብህይወት ከም እንተርፍ ከይፈለጥና ኢና ንነብር ነይርና\" ትብል ጓል 39 ዓመት ናዲያ። ማሪዩፑል፡ ሩስያ ንዩክሬን ካብ እትወራ ኣትሒዙ ብእትፍጽሞም ዘላ መጥቃዕታት እቲ ዝኸፍአ ሓደጋታት ርኢያ እያ። ነታ ከተማ ዝኸበቡዋ ወተሃደራት ብዘይምሕረት ብኣየር፣ ብምድርን ብባሕርን ብዝፍጽሙዎ ዘለው መጥቃዕቲ፡ ኣሽሓት ሰባት ሞይቶም'ዮም። ጎደናታት፣ ህንጻታት መብዛሕትኦም ዓንዮም። \"ከቢድ ደብዳብ'ዩ ዝፍጸመና ነይሩ። ዝኾነ ነገር ኣይግድሶምን . . . ወደይ ብተደጋጋሚ 'እዚ እንታይ'ዩ?' እናበለ ይሓተኒ። 'ኣጂኻ ዝወደይ፡ ኣይትጨነቐ። ስቕ ኢሉ ርችት'ዩ' ይብሎ\" ትብል ናዲያ። ናዲያ፡ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ነበርቲ እታ ዝርካቦም ንምክፋል ኣብ ጎደና ወጺኦም መግቢ ይሰርሑ ነይሮም። \"ካብ ኣብ ውሽጢ ገዛ: ኣብ ደገ ይውዒ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ደገ ነሕልፎ ነይርና\" ኢላ። ካብታ ከተማ ንክወጽኡ ክልተ መዓልቲ ምስ ተረፎም ግን ዋላ ሓደ ዝብላዕ ኣይነበሮምን። \"ገንዘብ ይሃልኻ ኣይሃልኻ ብዘየገድስ፡ ኣብታ ከተማ መግቢ ዝብሃል ኣይነበረን\" ትብል። \"ካብታ ከተማ ምስ ወጻእና ሓደ ሕማቕ ነገር ርኢና\" ዝበለት ናዲያ፡ እቲ ደብዳባት ይቕጽል ስለ ዝነበረ ሓንቲ መኪና ከም ዝተሃረመት ትገልጽ። እቲ መራሒ መኪና፡ ካብታ ከተማ ስድርኡ ከውጽእ ዝጽዕር ዝነበረ ወተሃደር ኮይኑ ርእሱ ተሃሪሙ። ንሳን ካልኦት ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩን ናብ ሓደ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተሰርሐ ገዛ ድሕሪ ምውሳድ፡ ሓንቲ፡ ሓኪም ዘይኮነት መንእሰይ፡ ናይ ሕክምና ዘይኮነ መርፍእን ፈትልን ተጠቂማ ሰፊያትሉ። \"እዚ ኹሉ ሓሊፍና ምስ መጻእና፡ ወደይ 'ክቐትሉና ድዮም ደልዮም?' ኢሉ ሓቲቱኒ። እንታይ ክብሎ? ኣይፈልጥን\" ትብል። ድሕሪ መዓልታት ብ17 መጋቢት ካብታ ከተማ ክትወጽእ ክኢላ። ብሰንኪ ብዝሒ መካይንን ምጭንናቕ መገድን ናብ ሊቪቭ ንክትበጽሕ ሓሙሽተ መዓልታት ወሲዱላ። ግን ኣብኡ'ውን ሩስያ መጥቃዕቲ ትፍጽም እያ ዘላ። ኣብዚ፡ እታ ሃገር ኣብ ኲናት ምህላዋ ካብ ዘርእዩ ነገራት እቲ ሓደ ንመዓልታት ክቕጽል ዝኽእል ድምጺ ደብዳብ ኣየር እዩ። \"ኣብዚ ድሓን ኢና፤ መግቢ'ውን ክንገዝእ ንኽእል። ወደይ ግን ሕጂ'ውን መግቢ፣ ካራመላ ይሓብእ። ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት እቲ ዝዓረፍናሉ ገዛ'ዩ ዝሓብኦ\" ኢላ። ንምንታይ? ኢላ ክትሓቶ እንከላ 'ጽባሕ ዝበልዖ ንክህልወኒ' ይብላ። ናዲያ፡ ደቃ እቲ ዝሓለፉዎ ክሰግሩዎ'ዮም ኢላ ተስፋ ትገብር። እታ ሕውስቲ ዝነበረት ጓላ ግን ክሳብ ሕጂ ምስ ሰባት ክትቀራረብ ከም ዘይክኣለት ገሊጻ። ሓደ መዓልቲ ናብ ማሪዩፑል ክትምለስ እያ ትደሊ። \"ከተማና ኣዕኒዮምዋ'ዮም፤ ዝተረፈ ነገር የለን . . . እናዓምበበት፣ እናዓበየት ዝነበረት ከተማ እያ\" ኢላ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60971677"} {"headline":"ሰለስተ ቃፍላይ ረድኤት ዝጸዓና መካይን ኣብ ሰመራ ፍቓድ ይጽበያ ኣለዋ - ፕሮግራም መግቢ ዓለም","content":"ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሰለስተ ቃፍላይ ረድኤት ዝጸዓና መካይን ኣብ ሰመራ ክልል ዓፋር ተዳልየን ፍቓድ ይጽበያ ከምዘለዋ ሓቢሩ። ቤትጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ንእቲ ትካል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ናይ ጽሑፍ ምላሽ \"ኣእካልን መኣዛዊ መግብታትን ዝጸዓና መካይንን ክልተ ናይ ነዳዲ ቦጣትን ዘለዎ ሰለስተ ቃፍላይ መካይን ናብ ትግራይን ሰሜናዊ ዓፋርን ንምብጋስ ተዳልዩ እዩ ዘሎ። \"እተን መካይን ኣብ ሰመራ ተሰሪዐን ኣለዋ፤ ፕሮግራም መግቢ ዓለም እቲ መገዲ ውሑስ ምዃኑ መረጋገጺ ካብ ሰብ መዚ ዓፋር ፍቓድ ምስ ረኸበ እቲ ረድኤት ናብ ህዝቢ ትግራይን ዓፋርን ክዕደል እዩ\" ይብል። ናብ ትግራይ ብመካይን ዝለኣኽ ረድኤት ንኣዋርሕ ተቋሪጹ ድሕሪ ምጽንሑ ድሕሪ እቲ ብክልቲኦም ወገናት ዝተኣወጀ ደው ምባል ተጻበኦ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዳግም ምጅማሩ ተስፋታት ፈጢሩ እኳ እንተጸንሐ ብዘይካ እተን ሽዑ ዝሰገራ 21 መካይን እቲ መስርሕ ከም ዘይቐጸለ ሰብ መዚ ትግራይ ገሊጾም። ኣብ ትግራይ ኣተሓባባሪ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ዶ\/ር ኣትንኩት መዝገቦ ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ ንፈተነ ተባሂለን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዝኣተዋ 21 መካይን ወጻኢ ናብ ትግራይ ዝአዛተወ ሓገዝ ከምዘየለ ተዛሪቡ። \"እተን 20 መካይን ከም ሓገዝ ዘይኮነስ ንፈተነ ከምዝተልኣኻ ምርዳእ የድሊ። እቲ መንገዲ ሰላም ምዃኑ፡ ዘሕልፍ ምዃኑ መረጋገጺ እዩ\" ዝበለ ዶ\/ር ኣትንኩት መዓልታዊ 300 መካይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ምስገበርቲ ሰናይ ከምዝተሰማምዑን ዛጊድ ከምዘይተተግበረን ተዛሪቡ። ሰብ መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኖም ኣብ ምንቅስቓስ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ዝተገበረ ክልካለ ከምዘየለ ሓቢሮም ኣለዉ። ትማሊ ንቢቢሲ ትግርኛ ቃሉ ዝሃበ ሓላፊ ኣገልግሎት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ (ዶ\/ር) \"ብኣና ወገን ዝቋረፅ ረድኤት የለን። ዝተቐመጠ ገደብ እውን የለን። ዝኾነ ኣካል ረድኤት ከቕርብ እየ እንተይሉ፡ ክፍቲ እዩ\" ኢሉ። ቤትጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብቲ ንቢቢሲ ዝሃቦ ምላሽ ግና እቲ ትካል ረድኤትን መሻርኽቱን ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ብሕጽረት መግቢ ተጠቒዑ ንዘሎ ህዝቢ ሰብኣዊ ረድኤት ናይ ምቕራብ ዓቕሚ ከም ዘለዎም ሓቢሩ። ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ብሕጽረት ምግቢ ዝተጠቕዑ ነበርቲ ንምሕጋዝ መዓልታዊ 100 ሰብኣዊ ረድኤት ዝጸዓና መካይን ናብቲ ክልል ክኣትዋ ከምዝግባእ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ። ሰብመዚ ትግራይ ግና ንነዊሕ እዋን ናብቲ ክልል ሰብኣዊ ሓገዝ ስለዘይኣተወ መዓልታዊ 300 ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ከምዝግባእ እዮም ዝገልጹ። ድሕሪ ኣዋርሕ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰብኣዊ ሓገዝን ነዳድን ዝጸዓና መካይን ናብ ትግራይ ምስኣተዋ ተበጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ክውስኽ እዩ ዝብል ተስፋ ነይሩ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ ወግዓዊ ዘይኮነ ዕጽዋ፡ ሚልዮናት ተጸበይቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝኾኑ ኮይኖም ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንዓጸቦ ተቓሊዖም እዮም። ኣተሓባባሪ ህፁፅ ሰብኣዊ ረድኤት ትግራይ ዶክተር ኣትንኩት መዝገቦ፡ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብቲ ዝሓለፈ ዓርቢ 20 ረድኤት ዝፀዓና መኻይን ናብ ትግራይ ብመልክዕ ፈተነ ድሕሪ ምልኣኹ፡ ኣብዚ እዋን ደው ከምዝበለ ንቢቢሲ ገሊፁ። \"ኣብ 2021 ሽዱሽተ ዙር ሓገዝ ናብ ትግራይ ክኣቱ ተሓሲቡ ነይሩ። ኣብ ሓደ ዙር 107 ሽሕ ሜትሪክ ቶን። ብተግባር ግን ካብ ሓምለ ጀሚሩ 7 ምኢታዊት ጥራሕ እዩ በጺሑ። ስለዚ እዚ ክመጽእ ብመዓልቲ 300 መካይን የድሊ\" ይብል። ንሱ ከምዝብሎ ኣብ መንገዲ ዝኾነ ዓይነት ናይ ጸጥታ ጸገም ከምዘየለ በቲ ናይ ፈተነ መደብ ዝተረጋገጸ እኳ እንተኾነ ቀረብ ረድኤት ግን በቲ ዝተሓሰበሉ ብርኪ ኣይቀጸለን ኢሉ። \"ዝተፈጠረ ዕንቅፋት የለን፤ ዝኣተወ ሓገዝ እውን የለን። ጠጠው ኢሉ እዩ ዘሎ። እቲ ቀንዲ ሓገዝ ኣይመጸን። ጠጠው ዝበለሉ ምኽንያት እውን ኣይተረደአናን\" ክብል ገሊጹ። ካብዚ ብተወሳኺ መንግስቲ ነቶም ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ፍቓድ ከምዘይሃቦም ብምግላጽ \"ሕዚ እውን ዕንቅፋት ይፈጥር ኣሎ\" ክብል ወቒሱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣንጻሩ ናብ ትግራይ ዘይተገበደ ተበጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ክህሉ ጥጡሕ ባይታ ኣመቻችዩ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ። ትማሊ ምሰ ቢቢሲ ጻንሒት ዝገበረ ሓላፊ ኣገልግሎት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ (ዶ\/ር) ፡ ነቲ ብወገን ትግራይ ዝቐረበ ቅረታ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ \"እዚ ኣብ ዓቕሚ ረድኤት ዘቕርቡ ኣካላት ዝውሰን እዩ። ንሕና ፍሰት ረድኤት ንክህሉ ጥጡሕ ባይታ ምፍጣርና ኢና ንፈልጥ። ምቹው ኩነታት ፈጢርና ኢና፤ ትካላት ረድኤት ብዝኾነ ይኹን መገዲ፡ እንተደልዮም ብነፋሪት እንተደልዮም ብመኪና፡ ብዘይገደብን ቅድመ ኩነትን ረድኤት ከብፅሑ ይኽእሉ እዮም\" ኢሉ። ንትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ግቡእ ፍቓድ ከምዘይሃበ ንዝገልጽ ክሲ ድማ \"መንግስቲ ፍቓድ ኣይከልከለን። ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ቀረብ እንተልይዎ ከቕርብ ይኽእል'ዩ። እዚ ኣብ ናሃቶም ዓቕምን ቢሮክራስያዊ ኣሰራርሕኦም እዩ ዝውሰን\" ኢሉ። ብሰንኪ እቲ ልዕሊ 17 ኣዋርሕ ዘቑጸረ ጎንጺ፡ 90 ምኢታዊት ህዝቢ ትግራይ ህጹጽ ሓገዝ ምግቢ ከምዘድልዮ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንዓጸቦ ከምዝተቓልዑ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የምልክቱ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/61026182"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ግዳይ ማእሰርቲ ንዝኾኑ ተወለድቲ ትግራይ እትሕግዝ ትእግስት በቀለ","content":"ኩሉ ፍጡር ኣብ ድቃሱ እንከሎ ከውታ ለይቲ ኮነ ኣዕዋፍ ጭቕ-ጩቕ ኣብ ዝብላሉ ወጋሕታ ካብ ድቃሳ ተንሲኣ ንስራሕ ክትከይድ ጸደፍደፍ ኣብ እትብለሉ እዋን፡ ንሳን ተሌፎናን ብቴሌግራምን ሜሰንጀርን ብዝውሕዝ መልእኽታት ዕረፍቲ የብሎምን። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ፡ 'በጃኺ እዛ ሓፍተይ . . . ዝበልዖን ዝለብሶን የብለይን። ኣብ ጎዳና ቦሌ መድሃኔ ኣለም ወዲቐ ኣለኹ፤ በጃኺ ሓግዝኒ' ዝብል መልእኽቲ ናይ ሓደ ዘይትፈልጦ መንእሰይ በጺሑዋ። እዚ፡ ሓደ ካብቶም ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ብዝተፈጥረ ቅልውላው ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ካብ ዝተኣሰሩ ተወለድቲ ትግራይ እዩ። ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጽአ፡ ስርሑን ተኻርዩ ዝነብረሉ ዝነበረን ቤቱን ብዘይተጸበዮ መገዲ ስለዝሰኣኖ ጽልምትምት ኢሉዎ ነታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ተመሳሳሊ ጸገም ንዘለው ውልቀ ሰባት ብውልቃን ምስ ካልኦት ብምትሕብባርን እትሕግዝ ትእግስት በቀለ መልእኽቲ ልኢኹላ። \"ታሪኹ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ምስ ጽሓፍኩዎ ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ 'ኣነ ስራሕ ክህቦ'የ፤ መዕረፊ'ውን ኣይጽገምን' ክትብል ሓንቲ ለጋስ ሰብ መሊሳትለይ\" ትብል ብዓርሰ ተበግሶ ነቶም ብሰንኪ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ማእሰርቲ ዝተሃሰዩ ሰባት ትሕግዝ ዘላ ትእግስት። እዚ፡ ካብቶም ክሳብ ሕጂ ብዝተፈላለየ መገዲ ተሓጊዞም ህይወቶም ናብ ንቡር ክምለስ ዝኽኣለ ሰባት ኣዝያ እትሕጎሰሉን ተስፋ ዘስንቓን እዩ። \"እታ ሰብ ናብ ገዝኣ ወሲዳ ምስ ኣእተወቶ 'ቲጂ፡ ማይ ተሓጺበ፣ ክዳን ቐይረ፣ መግቢ ይበልዕ ኣለኹ' ኢሉ ምስ ደወለለይ ሕጉስ ኢለ። ብዙሕ ኣይጸንሐን ቅድም ኢሉ ናብ ዱባይ ዝጀመሮ ፕሮሰስ ነይሩ ሰሊጡዎ ከይዱ። ናብኡ ምስ ከደ'ውን ስራሕ ክረክብ ሓግዝኒ ኢሉ ጽሒፉለይ። ሓደ ኣብኡ ዝነብር ሓው ተሓባቢሩና ስራሕ ረኺቡሉ\" ትብል። ትእግስት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቂርቆስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከባቢ እያ ተወሊዳ ዓብያ። ኣደ ክልተ ቆልዑን ክኢላ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጅን'ውን እያ። ቅድሚ እቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብፍላይ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘስዓበ ኲናት ምጅማሩ፡ ንዝንባለታት ኲናት ብምንቃፍ እታ ሃገር ዳግም ብኲናት ክትሕመስ የብላን ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎም ጽሑፋት ብማሕበራዊ ሚዲያ ትጽሕፍ ነይራ። ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ግን መንግስታት ፌደራልን ክልል ትግራይን ናብ ሓያል ወተሃደራዊ ረጽሚ ኣትዮም። ብሰንኩ ከኣ ብዙሓት ሰባት ተመዛቢሎምን ቑጽሮም ዘይተፈልጠ ሰባት ሞይቶምን። ሚሊዮናት ክኣ ኣብ ትግራይ ብጥምየት ከይሃልቁ ተሰጊኡ ኣሎ። ሓይልታት ትግራይ ነቲ ኲናት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምስ ደፍኡዎ ድማ፡ ብቐንዱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ካብ ስርሖም ተመዛቢሎም ትካል ንግዶም እውን ተዓጽየዑ፡ ተኣሲሮም ዋሕስ ክረኽቡ ተጸጊሞም። ትእግስት በቀለ'ውን ብውልቂ እትፈልጦም ሰባት፣ መሓዙታን መሳርሕታን ካብ ስርሖም ተሰጒጎም ግዳያት ክኾኑ ከም ዝርኣየት ትዛረብ። \"ነዚ ምስርኣኹ፡ ብዛዕባ እቲ ዘጋጥም ዘሎ ጸገማት ጥራይ ካብ ምጽሓፍ ሓደ ነገር ዘይገብር ኢለ ሓሲበ። ነቶም ብቐረባ ዝፈልጦም ብምሕጋዝ ክኣ ጀሚረዮ። ሓሙሽተ'ዮም ነይሮም፤ ንዝፈልጦም ሰባት ብገንዘብ ሓግዙና ብምባል ንዐኦም ብምሕጋዝ ጀሚረዮ\" ትብል። ትእግስት፡ ነቶም ብቐረባ እትፈልጦም ይኹን ብማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ ጸገም ከም ዘለው ንዝሓበሩዋ፣ ዘለዎም ናይ ትምህርቲ ደረጃን ሞያን ኣተሓሒዞም ስራሕ ከም ዝደልዩ ንዝነግሩዋ ሰባት ስራሕ ብምትእልላሽን ከስርሖም ምስ ዝኽእል ትካል ይኹን ኣካል ብምርኻብን እያ ትነጥፍ። መንግስቲ እሱራት ክፈትሕ ምስ ጀመረ ከኣ እቶም ዝፍትሑ ሰባት ዋሕስን ስራሕን ንክረኽቡ ክትሕግዝ ተበግሶ ከም ዝወሰደት ትዛረብ። እዚ ናይ ኦሮሞ ፍሉጣት ዝብሃሉ ኣክቲቪስታት [ተሓለቕቲ] ዝጀመሩዎ ኮይኑ ትእግስት'ውን ነቲ ንሓደ ወይ ክልተ ኢላ ዝጀመረቶ ምትሕብባራት ክተስፍሖ ነዚ ምንቅስቓስ ብወግዒ ተጸንቢራቶ። \"እቶም ዝተፈትሑ ድማ 'እንበልዖ፣ እንኽደኖ ወይ ስራሕ ስኢንና'፣ 'ከምዚ ክንሰርሕ ንኽእል ኢና' ዝብሉ መልእኽታት ክልእኹለይ ጀሚሮም። ካብ ማእሰርቲ ምስ ወጽኡ ቐጻሊ ህይወቶም ዝመርሑሉ ነገር የድልዮም'ዩ። ንሳቶም ዝልእኹለይ መልእኽቲ'የ ስክሪን ሾት ገይረ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዝርግሖ፤ ብኡ ከኣ ፍታሕ ይረክብ\" ኢላ። እዚ ዘመን፡ ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ ዘመን'ዩ። ፌስቡክ ኣብ ኢትዮጵያ ተጠቀምቱ 10 ሚኢታዊት ህዝቢ ጥራይ ከም ዝኾነ ይገልጽ። ኣብታ ሃገር ኣብ ገለ ከባቢታት ኣዝዩ ትሑት ዝርግሐ ኢንተርነትን ዋሕዲ ትሕተ ቕርጺ ብሮድ ባንድን እኳ እንተሃለወ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ግን ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ተጠቀምቲ ኣለው። እንተኾነ፡ ካብ ቀረባ ግዜያት እቶም ማሕበራዊ መራኸቢታት ኪነ ጥበባዊ ክእለት ብዙሓት ዝወጽኣሎም፣ ናይ ቢዝነስ ስራሕቲ፣ ምልላይ ምህርታት፣ ሰፋሕቲ ምልውዋጣት ሓበሬታትን ካልኦትን ዝካየደሎም ኮይኖም ይርኣዩ። ትእግስት፡ ሕጂ ትሰርሖም ንዘላ ናይ ግብረ ሰናይ ስራሕቲ ብዝቐለለን ዝቐልጠፈን መገዲ ይሕግዘኒ'ዩ ዝበለቶ'ውን ማሕበራዊ ሚዲያ'ዩ። ንሳ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ተቖጺራ እትሰርሕ ኣደ ክልተ ቖልዑ ኮይና፡ ክልተ ሓላፍነት ተሰኪማ ለይትን ቀይትርን ዝበጽሑዋ ብርክት ዝበሉ መልእኽታት ምትእንጋድ ከም ግዴታ'ዩ ወሲዳቶ ኣላ። \"እዚ ስራሕ ካብ ዝጅምር መዓልታዊ ህይወተይ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ተቐይሩ'ዩ። ኣብ ታክሲ ይኹን ኣብ ገዛ ኮይነ ነዊሕ ሰዓታት ኣብ ስልኪ'የ። ምስ ደቀይ ዘሕልፎ ግዜ ተሻሚዩኒ'ዩ፤ ግን ቁሩብ መስዋእቲ ገይረ ብውሑድ እቶም ዝሕግዙ ሰባት እንተዘይሰኒፎም ኣነ ክሰንፍ የብለይን ብዝብል እየ ዝቕጽሎ ዘለኹ\" ትብል። ብኣንጻሩ ማሕበራዊ ሚዲያ ብዙሕ ምድህሃል፣ ምንቕቓፍን ምክፍፋል ሓሳባትን ዝንጸባረቖ ቦታ ኮይኑ፡ ንሰናይ ዕላምን ምትሕግጋዝን ተጠቒሞምሉ ጽቡቕ ነገራት ከፍርዩ ዝኽኣሉ ብዙሓት'ዮም። ትእግስት፡ ነቶም ሓገዝ ደልዮም ዝመጽኡዋ ውልቀ ሰባት ዝደልዩዎ ፍታሕ ኣብ ምሃብ ዝተሓባበሩዋ ሰባት ከም ዘለውን \"ብዙሓት ስምዒታዊ ዝገብሩን ከተዓናቕፉ ዝኽእሉን መልእኽታት'ውን ይመጽኡኒ'ዮም። ዘፈራርሑኒ ሰባት'ውን ኣይተስኣኑን፤ ግን ትኹረተይ ሰብኣውነት እዩ\" ኢላ። ወሲኻ፡ \"ንጸልማት ድማ ወትሩ ካብ እትነቕፎ ሓንቲ ሽምዓ ምብራህ ይምረጽ፤ ኣነ ናይ ዓቕመይ ፈቲነ ሓደ ሰብ ሓንቲ መዓልቲ በሊዑ ክሓድር እንተኽኢሉ ዓብዪ ነገር'ዩ። ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ጸገማት ካብ ምዝራብ መፍትሒ ምእላሽ ዓብዪ ነገር'ዩ\" ትብል። ንዝሓለፉ ትሸዓተ ኣዋርሕ ክትሰርሓሉ እኳ እንተጸንሐት ሕጂ ግን ካብ ዓቕማ ንላዕሊ እናኾነ ከም ዝመጽአን ምስ ካልኦት ወለንታውያን ትካላት ብሓባር ንምስራሕ ዝርርባት ከም ዝጀመረትን ገሊጻ። \"መፍትሒ ዘይረኸቡ፣ መዓልታዊ እቲ ናተይኸ ከመይ ገይርክዮ ኢሎም ዝሓቱ ጌና ኣለው'ዮም። እዚ ንኣእምሮይ ዕረፍቲ ይኸልኦ። ስለዚ ኣብ ቀጻሊ ምስ ካልኦት ሰባት ብምትሕብባር ክሰርሕ ሓሲበ ኣለኹ\" ኢላ። ብቐንዱ ግን ከምቲ ማሕበረሰብ ዓለምን ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብን ትጽቢት ዝገብሩዎ ዘለው፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ኣብ ዝሓጸረ እዋን ብሰላማዊ ዝርርብ መፍትሒ ክረክብ ተስፋ ትገብር። \"እቲ ኩነታት ካብዚ እንተቐጺሉ ዝፈጥሮም ማሕበረ ቑጠባዊ ጽልወታት እናበዝሑ ስለ ዝኸዱ ዝኸፍአ ኩነታት ከይተፈጥረ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኩሉ፡ ናብ ዝነበሮ ቦታ ክምለስ፣ ሰላም ክመጽእ እየ ዝመነ፤ ፖለቲከኛታት ጸገሞም ውሕጥ ኣቢሎም ተዘራሪቦም ንዓና'ውን ካብ ጭንቂ ክገላግሉና ይምነ\" ትብል።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60646948"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ዕጽዋ ትግራይ ክሳብ መዓስ?","content":"ኣብ ሱዳን ካርቱም ዝነብርን ሽሙ ክርቋሕ ዘይደለየን ሓደ ውልቀሰብ ኣብ ቀረባ ኣብ መቐለ ናብ ዝርከቡ ቤተሰቡ ገንዘብ ከም ዝልኣኸ ይዛረብ። 40 ሽሕ ብር ክልእኸሎም ከም ዝደሊ ዝሓበሮም ካብቲ ክልል ወጻኢ ዝርከቡ ውልቀሰባት እቲ ገንዘብ ናብ ስድርኡ ክበጽሕ እንተኾይኑ 20 ሽሕን 800 ብር ክኸፍሎም ከም ዝሓተቱዎ ንቢቢሲ ገሊጹ። ዋላ'ኳ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ትግራይ ብሕጋውነት ዝሰርሕ ፋይናንሳዊ ትካል እንተዘይሃለወ፡ እቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ስድራቤቱ ገንዘብ ክበጽሖም ዝደለየ ውልቀሰብ ግን እቲ ዝተሓተቶ ክፍሊ ናብ ባንኪ ሒሳቦም ኣታዊ ገይሩ። እዚ ውልቀሰብ ወሲኹ: እዚ ዕድል ዝረኸቡ ካልኦት ሰባት'ውን ብተመሳሳሊ መገዲ ፍርቂ እቲ ክልእኹዎ ዝሓሰቡ ገንዘቡ ነቶም ልኣኽቲ እናኸፈሉ ኣገልግሎት ይረኽቡ ከም ዘለው የረድእ። ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ሓይልታት ትግራይ ንርእሰ ከተማ መቐለ ተቖጻጺሮም ንዝበዝሕ ከባቢታት ትግራይ 'ሓራ ኣውጺእናዮ ኣለና' ካብ ዝብሉ ንድሓር ትግራይ ን10 ኣዋርሕ ኣብ ሙሉእ ዕጽዋ ትርከብ። ወርሒ ሕዳር 2020 ብዝጀመረ ኲናት ተቛሪጾም ድሕሪ ምጽናሕ ንሒደት ኣዋርሕ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት እቲ ክልል ዳግም ስርሖም ጀሚሮም ዝነበሩ ኣገልግሎታት ባንኪ፣ ስልኪ፣ ኢንተርነትን መጓዓዝያን'ውን ሙሉእ ንሙሉእ ጠጠው ኢሎም። ኣቶ ገብራይ ገዛሀኝ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ መቐለ ካብ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ብፕሮጀክት ባዕልና ንባዕልና ወትሩ ንጉሆ ክልተ ባንን ሻሂን ቑርሲ ዝቐርበሎም ዘለው ጽጉማት ኮይኖም ብሳልሳይ ወገን ኣብ ዝልኣኹልና ድምጺ ጓሂኦምን ጸገሞምን ብደርፊ'ዮም ገሊጾምዎ። \"እቲ ቀደምሲ፡ ኪሮስ ኣለማየሁ '. . . ውሉድን ወላድን ተፈላልዩ፤ ብመሪር ጥምየት ሬሳ መሲሉ . . . ብኣፈ ሙዝ ሰላም ስኢኑ' ኢሉ ነይሩ። ሎሚ'ውን ተደጊማ፤ ከምዚ እናቖዘምና እኽሊ ሓሪሙና፣ ድሃይ ደቅና ርሒቑና ንነብር ኣለና\" ኢሎም። ቅድሚ ኲናት፡ ከተማ መቐለ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ነበርቲ ነይሮምዋ። ድሕሪ እቲ ኵናት ግን ካብ ካልኦት ዞባታት እቲ ክልል ዝተመዛበሉ ኣማኢት ኣሽሓት ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ ትምህርቲ፣ መአከቢ ኣዳራሻትን ቀጽሪ ኣብያተ ክርስቲያናትን እታ ከተማ ተዓቚቦም ብሕጽረት ገንዘብን ቀረብን ንጸገም ተቓሊዐም ይርከቡ። ኣቶ ገብራይ፡ \"ጥምየት ንኹሉ ኣርኪቡሉ፤ ዓብዪ ኮነ ንኡስ ዓሪቑ፣ ጠምዩ ሕርብት ኢሉዎ እዩ ዘሎ። ገንዘብ የለን፣ መጓዓዝያ የለን። ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተዓንጊልና፡ ክሓልፍ'ዩ ክንብል ኢና ንውዕል\" ይብሉ። ተመራማሪ ሰላም ሙሉጌታ ገብረህይወት፡ ኣብ መፋርቕ ለካቲት ኣብ ፋውንዴሽን ሰላም ዓለም፡ ኣብ ሰለስተ ክፋል ዘሕተሞ ጽሑፋት 'እቲ ዘሎ ዕጽዋ ሓሊፍኩም ክትኣትው እንተኽኢልኩም ናብ መቐለ ክትመጽኡ ንዕድመኩም። ምስ ኣተኹም መጀመርታ እትርእዩዋ ግን ዝጠመየት ከተማ'ያ' ብምባል ነቲ ዘሎ ሕሰም ገሊጹዎ ኣሎ። ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት፡ ጠዋሪ ወይ ናባዪ ንዘይብሎም ኣረጋውያን ንምሕጋዝ ዝቖመ ማሕበር ተራድኦ ኣረጋውያን ከራድዮን ኣብ መቐለ ንጽጉማትን ተመዛበልቲ ህጻናትን ኣዴታትን ናይ መግቢ ፕሮግራም ይገብር ኣሎ። ኣብዚ እዋን ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ ቁጽሪ ለማኖ ይውስኽ ከም ዘሎ ዝገልጽ ኣካያዲ ስራሕ እታ ማሕበር መንእሰይ ኣማኑኤል ገብረጻድቃን፡ ኲናት ዘመዛበሎም ብርክት ዝበሉ ናባዪ\/ ኣላዪ ዘይብሎም ህጻናት ግዳም ሓደር ይኾኑ ምህላዎም ተዛሪቡ። \"ኩሉ ነገር ተዓጽዩ መግብን መድሃኒትን ኣብ ዘይብሉ ኩነታት ኢና ዘለና። ገጠራትን ካልኦት ከባቢታትን ገዲፍካ መቐለ ኣብ ሕማቕ ኩነታት እያ ዘላ። ሃፍታም ትብሎ ድኻ ኮይኑ እዩ፤ ድኻ ዝነበረ ክኣ ትሕቲ ድኽነት ወሪዱ ኣብ ከቢድ ኩነታት ይርከብ\" ይብል። እታ ካብ 7 መስከረም 2014 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ጀሚሩ ናይ ቁርሲ ሓገዝ ክትገብር ዝጸንሐት ማሕበር፡ ኣብዚ እዋን ልዕሊ 300 ተሓገዝቲ ከም ዘለውዋ ኣማኑኤል ይገልጽ። ኣብ መጀመርታ እዋናት እቲ ህዝቢ ንሓድሕዱ ይተሓጋገዝ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ኢዱ ዝጸንሖ እናወድአ ብምምጽኡ ግን እቲ ንሓድሕዱ ዝተሓጋገዘሉን ዝረዳድአሉን ኩነታት እናነከየ ከም ዝመጽአ ብምግላጽ ኣብታ ከተማ ምስ ንብዓቱ ዝቃለስ፣ ኣብ ጎደናታት መቐለ ንበይኑ እናተዛረበ ዝኸይድ፣ ኣእዳው ዘርጊሑ ዝልምን ሰብ ብብዝሒ ምርኣይ ልሙድ ይኸውን ኣሎ። \"ክሳብ ሕዚ ህዝቢ ተስፋ ኣይቆረጸን ካብ ዘለዎ እናሃበና ንሕግዝ ኣለና። ዓርሰን ክኢለን ደቀን ዘዕብያ ዝነበራ ነፍሰ ጾር ኣዴታትን ህጻናትን ንሕግዝ ኣለና። 70 ኣረጋውያን'ውን ኣለውና። ገሊኦም ኣብ ከባቢ ቤተ ክርስቲያን ዝነበሩ ገሊኦም ድማ ካብ ገዝኦም ወጺኦም ኣብልዑና ዝበሉ'ዮም\" ብምባል የረድእ። ካልእ ካብ ትግራይ ዘዘራረብናዮ ወሃቢ ርኢይቶ፡ ድሕሪ 21 ሰነ 2013 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ብጣዕሚ ዘሰክፍ ከምዝኾነ ብፍላይ ኣብቶም ከበድቲ ውግኣት ዝተኻየደሎም ሰራዊት ኤርትራ ዝነበሮም ከባቢታት ቆላ ተምቤን፡ ከባቢታት እምባሰነይቲ፣ ማይ ቅነጣል፣ ዕዳጋ ዓርቢን \"ብዙሕ ጥምየት ኣሎ\" ክብል ተዛሪቡ። ካብዚ ብዝብገስ፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ናይ ገዛ ኣቑሑ፣ መጋየጺታትን ክዳንን ሓዊሱ መንበሪ ገዝኦም ክሳብ ምሻጥ ከም ዝበጽሑን ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ደሞዝ ዘይወሰዱ መምሃራን፣ ሓካይምን ካልኦት ሰራሕተኛታት መንግስትን'ውን ምልማን ከም ዝጀመሩ ወሃብቲ ርኢይቶ ይገልጹ። ዞባታት ሰሜን ምዕራብ፣ ምብራቕን ማእከላይን ድማ ዝለዓለ ሕጽረት መግቢ ዝተራእዮም ከባቢታት ከም ዝኾኑ ጸብጻባት ፕሮግራም መግቢ ዓለም የመልክት። ከም ባንክን ካልኦት ፋይናንሳዊ ትካላትን ኣገልግሎት ስለ ዘቋረጹ ከቢድ ሕጽረት ገንዘብ ኣጋጢሙ፡ ዋጋ መሰረታዊ ሸቐጣት ብዝተፈዓጻጸፈ ከም ዝወሰኸ ምንጪታት ቢቢሲ ይጠቕሱ። ንኣብነት፡ እቲ ክልል ካብ ዋና መስመር ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ስለ ዝተበትከ፡ ስሩዕን ዘይተቖራረጸን ኣገልግሎት መብራህቲ ክረክብ ኣይከኣለን። ስለ ዝኾነ ብርክት ዝበለ ሰብ ክርከብ እንከሎ ሽምዓ ስለዝጥቀም እቲ ቅድም ዋጋ ሰለስተ ብር ዝነበረ ሽምዓ ሕጂ ናብ 30 ብር ከም ዝደየበ ነበርቲ ይገልጹ። ዋላ'ውን ባንክታት ዕጹዋት እንተኾኑ ብርክት ዝበለ ነባሪ ኣብ ኣፍ ደገ ከባቢ ባንኪ ኰፍ ኢሉ ከም ዝረአ መንእሰይ ኣማኑኤል፡ ንቢቢሲ ገሊጹ። \"ገንዘብ ከም ዘየለ እናፈለጠ ተስፋ ንዘይምቑራጽ ኣብኡ'ዩ ኰፍ ኢሉ ዝጽበ\" ክብል ትዕዝብቱ ኣካፊሉና። ብኣንጻሩ፡ ውሑዳት ሰብ ሃፍትን ነጋዶን እቲ ክልል ብርክት ዝበለ ገንዘብ ኣብ ኢዶም ከም ዝርከብን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ብዘይሕጋዊ መገዲ [ኮንትሮባንድ] ናብቲ ክልል ዝኣትው ሸቐጣት፣ ሸርፊ ገንዘብን ካልእን ብዕጽፊ ይሽየጡ ምህላዎምን ይዝረብ። እዚ፡ እቶም ካብ ትግራይ ወጻኢ ዘለው ውልቀ ሰባት ኣብ ትግራይ ናብ ዘሎ ኣባል ስድርኦም ካብ ዝልእኹዎ ገንዘብ ካብ 35 ክሳብ 40 ሚኢታዊት ዓስበ ድለላ ዝወስዱ ኮይኖም፡ ትሕቲ እቲ ኣብ ስሩዕ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን ጸሊም ዕዳጋን ዘሎ ሸርፊ ዶላር ከም ዝጥቀሙ ምንጪታት ቢቢሲ የረድኡ። ኣቦ መንበር ነቲ ክልል ዘመሓድር ዘሎ ህወሓት፡ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ኣብ ዝሓለፉ ቅንያት ንማዕኸናት ዜና እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ ክልሉ ጸገማት ባንኪ፣ ነዳዲ፣ ንግድን መድሃኒትን ከም ዘሎ ብምዝኽኻር ኣብ ክሊ እቲ ዘሎ ሕጽረት ቀረባት ዋጋ ዝውስኹን ቐረባት ዝሓብኡን ተበለጽቲ ኣለው'ዮም ክብል ነቒፉ ነይሩ። \"ቀረብ ዝብሃል የለን፤ ኣብ ኢድና ዘሎ ጥራሕ ኢና ንጥቀም ዘለና። ከቢድ ፋይናንሳዊ ሕጽረት ኣሎ፤ ጥረ ገንዘብ የለን። ኣብ ንግዲ ግን ዋጋ ምውሳኽን ምሕባእን ዝብሉ ጸገማት ኣለው፤ ኣብዚ ጸበባ ክህፍትም እየ ኢልካ ምሕሳብ ገበን እዩ። ከምኡ ኢና ንርኢ ዘለና። እዚ ከኣ ገበን እዩ። ህዝቢ ንዝረፍን ካልእ በደል ይበጽሐና'ሎ ይብል ኣሎ። እቶም ከምኡ ዝገብሩ ውሑዳት እንተኾኑ'ውን ስርዓት ክሕዙ ኣለዎም። ነጋዳይ ኣካል እቲ ህዝቢ'ዩ\" ክብል ተዛሪቡ። ኣብቲ ክልል ንልዕሊ ትሸዓተ ኣዋርሕ ደሞዝ ዘይተኸፍሎም ልዕሊ \"220 ሽሕ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ከቢድ ዓጸቦ ይርከቡ\" ክብል ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን እቲ ክልል ገሊጹ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ቕነ ንቢቢሲ ቃሉ ዝሃበ ሓደ ኣባል ቤት ትምህርቲ ሕክምና ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብወገኑ፡ ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕ ሰራሕተኛታት እቲ ዩኒቨርሲቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ደሞዝ ስለዘይወሰዱ ኣብ ሕማቕ ኩነታት መነባብሮ ከምዘለው ተዛሪቡ። ንሱ፡ ሰለስተ ሽሕ ኣባላቱ ብጥሙይ ከብዶም ብእግሮም እናተጓዕዙ ገሊኦም'ውን ክሳብ ዝወድቁ እናሰርሑ የገልግሉ ከም ዘለው ብምግላጽ \"ሽሕ'ኳ ኣካል ፌደራላዊ ትካላት እንተኾንናን ፌደራላዊ መንግስቲ ግን ባጀት ክሰደልና ኣይክኣለን\" ምባሉ ይዝከር። እዚ ድሮ ተደራቢ ማሕበራዊ ቅልውላው ከስዕብ ከም ዝጀመረ'ውን ይግለጽ ኣሎ። ቴሌቪዥን ትግራይ ንሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳይ ትግራይ ኣቶ ሙሉጌታ ደባልቀው ጸሪሑ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ረድኤት እንተዘይኣትዩ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ፍርቂ ህዝቢ ትግራይ ክሃልቕ'ዩ ክብል ኣጠንቂቑ። \"እቲ ዕጽዋ እናበርተዐ ብምኻዱ ኣብ ኣፍ ምጽናት ኢና ዘለና። እቲ ዕጽዋ ክሳብ 9 ሚያዚያ እንተቐጺሉ ፍርቂ ህዝቢ ትግራይ ክሃልቕ እዩ። ብዙሓት ብሕጽረት መድሃኒት ይሞቱ ኣለው፤ ንስድርኦም መሰረታዊ ቐረባት ከቕርቡ ብዘይምኽኣሎም ድማ ብዙሓት ዓርሰ ቕትለት ይፍጽሙ ምህላዎም ጸብጻባት ይበጽሑና ኣለው\" ክብል ተዛሪቡ። ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል'ውን በብእዋኑ ካብ ዓፋር፣ ኣምሓራ፣ ምዕራብ ትግራይ ዝመጽኡ ተመዛበልቲ ይውስኹ ምህላዎም ገሊጹ ነይሩ። \"ሰራሕተኛ መንግስቲ ኣብ ጸገም'ዩ ዘሎ፤ ሙሉእ ዕጽዋ'ዩ ዘሎ፤ ግን ክንልምን ኣይኮናን - ንምክት\" ክብል ተዛሪቡ። እንተኾነ እቲ ነቲ ክልል ዘመሓድር ዘሎ መሓውር ናይ ኲናት እዋን ቑጠባ ከመይ ይምራሕ ዝብል መስርሕ ስለ ዘይብሉ ጸገም ከም ዝፈጠረ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ፖለቲካዊ ሰልፊ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣቶ ሃይሉ ከበደ ይገልጽ። \"ሕዚ፡ ናይ ገንዘብ ሕጽረት ኣጋጢሙ፤ እዚ ድማ ንወሰኽ ዋጋ ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ: ንደገ ገንዘቡ ከውጽእ ዝደሊ ክህሉ ስለ ዝኽእል ኣብ ደገ ዶላር እናተቐበለ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሰብ ገንዘብ ይህብ ኣሎ። እዚ ድማ ወይ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣካል እዩ ወይ ድማ ምስኡ ዝተሓባበር ኣብ ኢዱ ጥረ ገንዘብ ዘለዎ እዩ። ከምኡ ኮይኑ'ውን ግን ሸቐጥን ጥረ ገንዘብን ክኣቱ ምኽአሉ ዓብዪ ነገር እዩ። እቲ ጸገም ኣብ ነጋዳይ ዘይኮነ መንግስቲ እየ ኣብ ዝብል ኣካል'ዩ ዘሎ። ነዚ ስርዓት ከትሕዞ ምተገብአ ነይሩ\" ክብል ይነቅፍ። ናይ ኮንትሮባንድ ስራሕቲ ኣብ ዝስርሐሉ እዋን ናይ መኽሰብ ተኻፈልቲ ስለ ዝህልው ወሰኽ ዋጋ ክረአ ምኽንያት እኳ እንተኾነ እቲ ነጋዳይ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ኣውጺኡ ኣብ ኢዱ ምሓዙ፣ ነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስ ብጥረ ገንዘብ ምዃኑን ዋጋ ሸቐጣት ምውሳኹን ንክብደት ናብራ ከም ዘጋደዶን ወሃብቲ ርእይቶ ይገልጹ። \"ብቐንዱ ገንዘብ የለን፣ ሰራሕተኛ መንግስቲ ደሞዝ የብሉን። እቲ ናይ ንግዲ ስርዓት ድማ ሙሉእ ንሙሉእ ኣብ ኢድ ምስቲ ስርዓት ርክብ ዘለዎም ውሑዳት ነጋዶን ናይ ኮንትሮባንድ ነጋዶን ዝሓዝዎ ክኸውን ክኢሉ'ዩ። ኩልሻብ ነጋዳይ ኣብ ከምዚ ዓይነት ስርዓት ኣልቦነት ኣሎ ኢሉ ዝኣምነሉ ንፋስ ዘምጽኦም ዕድላት'ዩ ዝጥቀም። ኣብ ኲናት መንግስቲ እዩ ስርዓት ከትሕዝ ዝኽእል፤ ንኣብነት ቦንድ ይሸይጥ ወይ ካብ ከም ደደቢት ዝኣመሰላ ትካላት ፋይናንስ ልቓሕ ወሲዱ ዘይፈትሖ? ግን ኣብ ትግራይ ዘሎ ምሕደራ ከምኡ ክገብር ዝኽእል ሓይሊ የለን፤ ገሊኡ ኣካል እቲ ጥቕማ ጥቕሚ እዩ፤ ገሊኡ ድማ ዓቕምን ርድኢትን የብሉን\" ይብል ኣቶ ሃይሉ። ዓለምለኻዊ ትካላት እንታይ ይብሉ? ኣብዚ እዋን፡ ናብቲ ክልል ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣዝዩ ድሩትን ብሰንኪ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ስለ ዝተዓናቐፍን ሰባት ብጥምየት ይሞቱን ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ተፈጢሩ ምህላውን ብተደጋጋሚ ይግለጽ ኣሎ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ትግራይ 4.6 ሚልዮን ሰባት፡ ማለት ካብ ሓሙሽተ ሰባት እቶም ኣርባዕተ ተጸበይቲ ሓገዝ ከም ዝኾኑ፡ ልዕሊ ፍርቂ ነፍሰ ጾርን ዘጥቡዋን ኣዴታት ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ከም ዘለዋን ኣፍሊጡ። ትካላት ረድኤት መንግስቲ ፌደራል ኮነ ኣብ ረጽሚ ዘለው ዕጡቓት ሓይልታት ናብቲ ክልል ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረድኤት ዝበጽሓሉ ዕድላት ከመቻችኡ ብተደጋጋሚ ክሓቱ ጸኒሖም። ኦቻ፡ ቅድሚ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ሰሙናዊ ጸብጻብ ኣስታት 454 ሽሕ ህጻናት ብሕጽረት መግቢ ከምእተሃስዩን ልዕሊ 115 ሽሕ ህጻናት ከኣ ብኸቢድ ሕጽረት መግቢ ከምእተጠቕዑን የመልክት። ኣስታት 120 ሽሕ ነፍሰ ጾርን ዘጥቡዋን ኣዴታት ከምኡ'ውን ልዕሊ 25 ሽሕ ህጻናት ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ትግራይ ብሕጽረት መግቢ ከም ዝተጠቕዑ ሓቢሩ። እቲ ኣብ ህጻናት ዝርአ ዘሎ ሕጽረት መግቢ ብማእከላይ ገምጋም 22 ሚኢታዊት ከም ዝበጽሐ፡ እዚ ከኣ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ልዕሊ 15 ሚኢታዊት ከም ዝኾነ ይሕብር። ይኹን'ምበር፡ ኣብ ከተማታት ከይተረፈ ሰባት ኣብ ገደንኦም ኣሕምልትን ፍራምረን ከምዘፍርዩ ብምግባር ዓርሰ ምርኮሳ ንምፍጣር ይሰራሕ ምህላውን ኣብ ገለ ከባቢታት ሰሜን ምዕራብን ደቡብ ትግራይን ብመስኖ ዝፈረዩ ምህርታት ሰኣን መጓዓዝያ ናብ ዕዳጋ ክቐርቡ ብዘይምኽኣሎም ይበላሸውን ይጉሓፉን ከም ዘለው እውን ይግለጽ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ'ውን ኣስታት 40 ሚኢታዊት ህዝቢ ትግራይ \"ንኸቢድ ሕጽረት መግቢ\" ተቓሊዑ ኣሎ ዝበለ ኮይኑ \"ስድራ ቤታት መግቢ ንምርካብ ዝከኣሎም ኩሉ ኣማራጺታት ይጥቀሙ ኣለው፤ ዝበዝሕ ህዝቢ ብህይወት ንምጽናሕ ዘኽእሉዎ ከበድቲ ኣማራጺታት ይጥቀም ኣሎ\" ክብል ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ። እዚ ሰነድ፡ 83 ሚኢታዊት ሰባት መግቢ ከም ዝወድኡን ኣብ ለመና ተዋፊሮምን ንመዓልቲ ሓደ ግዜ እናተመገቡን ጥራይ ይሓልፉ ምህላዎም የመልክት። \"ብሰንኪ ሕጽረት ሓገዝ፣ ዕዳጋታትን ስድራቤታት ልቓሖም ንምኽፋል ዝነበሮም ይሸጡ፣ ይልምኑ፣ ኣብ መዓልቲ መጠን ዝምገቡዎ ይንክዩ ኣለው። ኣብ ከተማታት ብፍላይ ብደቂ ኣንስትዮ ዝመሓደሩ፣ ኣብ ቀረባ ዝተመዛበሉ ወይ ዝተመልሱ፣ ከምኡ'ውን ሓደ ጉዱእ ኣካል ኣባል ስድራ ዘለዎም ካብ ሕብረተሰብ ካብ ዝረኽቡዎ ሓገዝ ጽግዕተኛ ኮይኖም'ዮም\" ይብል ኦቻ። ብተወሳኺ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ጎንጺ ናብ ትግራይ ረድኤት ዝሓልፈሉ መስመር ሰመራ- ኣብዓላ ከም ዝዓጸዎ፣ ትካላት ረድኤት ኣብ ትግራይ ዝነበሮም ናይ ቀረባትን ነዳድን ትሕዝቶ ከም ዝተጸንቀቐ፣ ገሊኦም ሰኣን መጓዓዝያን ነዳድን ምብጻሕ ረድኤት ክንክዩ ከም ዝተገደዱን ክሳብ 8 መጋቢት 2022 ኣብ ዘሎ ግዜ ትሕቲ 600 ሊትሮ ነዳዲ ጥራይ ከም ዝተረፎምን ጠቒሱ። ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባችለት ብ7 መጋቢት 2022 ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፡ ኣብቲ ክልል ብዝቕጽል ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዝተሻቐለት ብምግላጽ፡ ጎንጽን ዘይውሑስ ጸጥታን ነቲ ብሰመራ -ኣብዓላ- መቐለ ኣቢሉ ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝ ዓጽዩዎ ምህላው ኣረዲኣ። \"ካብ 15 ታሕሳስ 2021 ጀሚሩ [እቲ መገዲ] ዕጹው እዩ ዘሎ። ሓይልታት ጸጥታ ክልላት ሓዊሱ ኩሎም ወገናት ዘይተገደበ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክፈቕዱ ይጽውዕ። ኣብቲ እናኸፈአ ዝመጽእ ዘሎ ድኽነት፣ ዋጋ መሰረታዊ ቀረባት ምውሳኹ ቀጺሉ ኣሎ። መጽናዕቲ ኣብ ዘካየድናሉ እዋን ብዝነበረ ሰፊሕ ውሽጣዊ ምፍንቓል እውን ተሻቒለ ኣለኹ\" ምባላ ይፍለጥ። ንመሰልን ክብረትን ህዝቢ ትግራይን ውጹዓት ህዝብታት ኢትዮጵያን ንዓሰርታት ዓመታት ዝተኻየዱ ውግኣትን ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ምስ ኤርትራ ብዝነበረ ኩነተ ኲናት፡ ብፍላይ እቶም ኣብ ዶባት ዝርከቡ ከባቢታት ክልል ትግራይ እኹል ትሕተ ቕርጺ ስለ ዘይነበሮም ንወፍሪ ምቹኣት ከይኮኑ እዮም ጸኒሖም። ብዙሓት ስድራቤታት ስድራ ስውኣት ተባሂሎም ብሓገዝ ግዱሳትን መንግስትን ዝናበሩ ሚልዮናት ድማ ናይ መግቢ ውሕስነቶም ዘየረጋገጹን ብሓገዝ ሰብኣዊ ረድኤት ዝነብሩን እዮም። ኣብ ርእሲኡ ህዝቢ ብጸገም ሰናይ ምሕደራ ህወሓት ሰንሰን ኢሉ\/ ደኺሙ፣ ብልዑል ሽቕለት ኣልቦነትን ስደትን ተማሪሩ እዩ ጸኒሑ። ኣብ ርእሲኡ እቲ ንዝሓለፉ 16 ኣዋርሕ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ንሙሉእ ትሕተ ቕርጺ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ትካላት ጥዕና፣ ሕርሻን ካልእን ከም ዘዕነዎ ክግለጽ ጸኒሑ ኣሎ። \"ናይቲ ዝሓለፈ ኲናት በሰላ ከይወጻእናዮ ኢና ኣብ ኲናት ኣቲና\" ዝብል ኣቶ ሃይሉ ከበደ ሕጂ ድማ ብዙሕ ሰብ ብኲናት፣ ጥምየትን ሕጽረት መድሃኒትን ይመውት ምህላው ዝፈጥሮም ቅልውላዋት ከም ዘስግኦ ይዛረብ። \" [ከምዚ] ከማይ ኣብ መወዳእታ ዘበነ ደርጊ ዝተወለድና ብዙሕ ጸገም ሓሊፍና ኢና፤ እቲ ሕዚ ኣብ ኲናት ዘሎ መንእሰይ ናብ ማእኸላይ እቶት ክሰጋገር ተዳልዩ ዝነበረ ኣብ መወዳእታ ዓመታት ደርጊ ወይ መጀመርታ ዓመታት ህወሓት\/ኢህወደግ ዝተወለደ እዩ። ናይዚ ወለዶ ደቁ ወይ ንኣሽቱ ኣሕዋቱ እዮም ትምህርቲ ኣቋሪጾም፣ ደኽዲኾም ዝብሃሉ ዘለው። ሰኣን ሕክምና ወይ'ውን በቲ ኲናት ወለዶም ይስንክሉ፣ ይሞቱ ኣለው፣ እቲ ዝጸንሐ ወለዶ እውን ብሕማምን ስእነት መድሃኒትን ይረግፍ ኣሎ። እዚ ኹሉ ተደሚሩ ምጥፋእ ከየጋጥም የስግአኒ\" ክብል ሻቕሎቱ ገሊጹ። እቲ ዕጽዋ፡ ሕጂ'ውን ውሽጣዊ ምዝንባላት ክዛይድ ይገብር ምህላው ዝገለጸ ሓደ ሽሙ ክርቋሕ ዘይመረጸ ወሃቢ ርኢይቶ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ድሮ ዘይሕጋዊ መገዲ ተጠቒሞም ካብቲ ክልል ክወጽኡ ከም ዝጀመሩ ንቢቢሲ ገሊጹ። \"ኣብ ማእኸል ኲናት ሓደገኛ መገዲ ተኸቲልካ ካብ ትግራይ ምውጻእ ኣሎ፤ ብፍላይ ብደቡብ ትግራይ ብራያ፣ ቆቦ ከምኡ'ውን ዓፋር ናብ ማእኸል ኢትዮጵያ ዝኸዱ ኣለው። ብመስመር ራያ ኣላማጣ ብዙሕ ሰብ ካብ ትግራይ ወጸኢ'ዩ። ገንዘብ ከፊሎም ብደለላ'ዮም ዝወጽኡ። ቅድሚ ሰሙን ምሳይ ነይሮም በቲ መገዲ ንሱ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኸዱ ዝነገሩኒ መሓዙተይ ኣለው፤ ፍርቆም ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ዘይተረኸበ'ውን ኣለው\" ኢሉ። ቢቢሲ፡ እዚ ክሳብ ክንደይ'ዩ? እቶም ይስደዱ ኣለው ዝተባህሉ ናበይ ይኣትው ኣለው? ዝብል ብዕምቆት ከረጋግጾ እኳ እንተዘይክኣለ፡ ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ዕጽዋ ከቢድ'ዩ፤ ኣብ ከቢድ ሽግር ኢና ዘለና፤ ከቢድ ማሕበራዊ ቅልውላው'ዩ ዘሎ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። ማሕበረሰብ ዓለም፡ ተሳተፍቲ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ብቕልጡፍ ፖለቲካዊ መፍትሒ ኣብ ምርካብ ክሰርሑ፣ ተኹሲ ደው ከብሉ፣ ውሑስ ሙሉእን ዘይተገደብን ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ክፈቕዱ፣ ኣገልግሎታት ባንክን ቴሌኮምዩኒኬሽን ክኸፍቱን ሰብኣዊ ሓገዝ ክበጽሕን ክሰርሑን ይጽውዕ። ካብ ትግራይ ርኢይቶኦም ንቢቢሲ ዝሃቡን ብሰንኪ እዚ ዕጽዋ ህልቂት ከየጋጥም'የ ዝሰግእ ዝብል ኣቶ ሃይሉን፡ \"ዝኾነ ኲናት ብሰላም ክውዳእ እዩ ትምኒትና፤ ዝኾነ ፖለቲካዊ ጎንጺ ብሰላም ክውዳእ ኣለዎ\" ኢሎም። መራሕቲ ህወሓት፡ ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ምስ መንግስቲ ፌደራል ቀጥታዊ ዘይኮነ ዲፕሎማሲያዊ ዝርርብ ከካይዱ ከም ዝጀመሩ እኳ ክገልጹ እንተጸንሑ ዛጊድ ጭቡጥ ውጽኢትን መንግስቲ ፌደራል ጀሚረዮ እየ ዝበሎ ድርድርን ከይተራእየ እዩ ጸኒሑ። ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ግን ፈላሚ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከካይድ ዝጀመረ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ንከብቅዕ ኩሉ ዓይነት ናይ ሰላም ኣማራጺ ክጥቀም ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ። እዚ ግን ክንደይ ዝኣክል ግዜ ክወስድ ይኽእል ዝብል ምግማት ኣጸጋሚ'ዩ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60711891"} {"headline":"ቅልውላዉ ትግራይ፡ መግቢን ካልእ ቀረባትን ዝጸዓና መካይን ሕቡራት ሃገራት ናብ መቐለ ተበጊሰን","content":"ሰብኣዊ ረዲኤት ዝጸዓና ቃፍላይ መካይን ሕቡራት ሃገራት ናብ ትግራይ ተበጊሰን ምህላወን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሓቢሩ። እቲ ትካል ብትዊተር ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ከምዝበሎ፡ እተን 47 መካይን መግቢን ካልእ ቀረባት ዝጸዓና እየን። \"ተወሳኺ ብሕቡራት ሃገራት፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝተመርሐ ቃፍላይ ሰብኣዊ [ረዲኤት] ናብ መቐለ ኣምሪሑ'ሎ\" ክብል ኣፍሊጡ። ብዘይካ'ዚ ሰለስተ ናይ ነዳዲ ቦጣት'ውን ኣካል ናይቲ ቃፍላይ ምዃነን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ጠቒሱ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መንግስቲ ፈደራልን ሓይልታት ትግራይን \"ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት\" ከምዝገበሩ ድሕሪ ምእዋጆም፡ ብዘይካ ኣብ ፈለማ ዝኣተዋ 21 መካይን ረዲኤት ክኣቱ ዘምኽኣሉ ሻቕሎት ፈጢሩ ጸኒሑ'ዩ። ትማሊ ረቡዕ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ካብ ገለ ተቖጻጺሮሞም ዝጸንሑ ከባቢታት ክልል ዓፋር ከምዝወጹ ኣፍሊጦም ነይሮም። \"ክሳብ ሕጂ ብደገፍ ኩሎም ሰብመዚ\" ጉዕዞ ናይዘን ተበጊሰን ዘለዋ መካይን ዝኾነ ዕንቅፋት ከምዘየጋጠመን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ መግለጺኡ ጠቒሱ'ሎ። ብሰንኪ ኣብ ዶባት ክልቲአን ክልላት ዝቐጸለ ውግኣትን ዘይርጉእ ኩነታትን ብመስመር ኣብዓላ-መቐለ ረዲኤት ክሓልፍ ከምዘይክኣለ'ዮም ሰብመዚ መንግስቲ ክዛረቡ ጸኒሖም። መራሕቲ ትግራይ ግን፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቲ ክልል ክኣቱ ዕንቅፋት ከምዘይኮኑን ምሉእ ምትሕብባር ክገብሩ ድልዋት ምዃኖምን'ዮም ዝዛረቡ። ኲናት ትግራይ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ድሕሪ ምውልዑ፡ ኣብቲ ክልል ጥምየትን ኩነታት ዓጸቦን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ተፈጢሩ ምህላዉ ይፍለጥ። እቲ ኲናት ኣብ ትግራይን ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ሞትን ዕንወትን ምውራዱ ጸብጻባት የረድኡ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61109832"} {"headline":"ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ዴቪድ ሳተርፊልድ ምስ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ እንታይ ተዘራሪቡ?","content":"ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድ ቀንዲ ትኹረት ሃገሩ ብሰንኪ ኲናት ናብ ዝተሃሰየት ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ምብጻሕ ከም ዝኾነ ተዛሪቡ። እቲ ኣምባሳደር ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ዘካየደ ኮይኑ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ቀንዲ ትኹረት ምምሕዳር ጆ ባይደን ብሰንኪ ኲናት ብዙሕ ጸገማት ንዘጋጠማ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ምብጻሕ ከም ዝኾነ ንሮይተርስ ተዛሪቡ። \"ካብዚ ንላዕሊ ትኹረት ክረክብ ዝግብኦ ጉዳይ የለን . . . እዚ ዕላማ [ሰብኣዊ ረድኤት ምቕራብ] ክሳኻዕ ኢና [ጻዕሪ] ንገብር ዘለና\" ኢሉ። እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾነ ኦሊሴንጎን ኦባሳንጆን ከምኡ'ውን ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻእን ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮንን ተዘራሪቡ። እቲ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ፡ መንግስቲ ነቲ ክሰናኸል ዝጸንሐ ምብጻሕ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ንምእታው ድልውነት ኣለዎ፤ ይኹን'ምበር ብሰንኪ ሓይልታት ትግራይ ምብጻሕ ሰብኣዊ ረድኤት ምትዕንቓፍ ይገጥሞ ኣሎ ክብል ከም ዝተዛረበ ቤት ጽሕፈት እቲ ሚኒስትሪ ብፌስቡክ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ውሽጢ ክልል ዓፋር ንዝርከብ ንሕብረተሰብ እቲ ክልል ዝተላእኸን ሰብኣዊ ረድኤት ክሓልፍ ከም ዘይክኣለ እቲ ፍሉይ ልኡኽ ንሮይተርስ ተዛሪቡ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ኣብ ውሽጢ ክልል ዓፋር ንዝርከቡ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ሰብኣዊ ረድኤት ዝጽዓና ቃፍላይ መካይን ናብቲ ዝተበገሳሉ ቦታ እንከይበጽሓ ኣብቲ ክልል ጸገም ከም ዘጋጠመንን ምስ ጽዕነተን ናብ ሰመራ ከም ዝተመለሳን ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ምስ ካልኦት ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ብምኻን ናብ ትግራይ ዝልኣኸን ሰብኣዊ ረድኤት ዝጽዓና መካይን ብሓይልታት ትግራይ ብዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ናብ ዓፋር ክምለሳ ተገዲደን ኢሉ። ከም ጸብጻብ ውደብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣስታት 10 ሚሊዮን ህዝቢ ሰብኣዊ ረድኤት ይደሊ። ኤችኣር6600ን ኤስ3199 ኣቶ ደመቀ መኮንን ምስቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ዝነበሮ ዝርርብ ኣመሪካ ተርቅቖም ዘላ ኤችኣር6600ን ኤስ3199 ዝተባህሉ ረቒቕ ሕጋጋት ንታሪኻዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ዘንጸባርቑ ኣይኮኑን ኢሉ። እቶም ሕጋጋት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ ህንጸት ሰላምን ዴሞክራስን ንዜጋታት ዝጎድኡ ስለ ዝኾኑ መንግስቲ ኣመሪካ ክነጽጎም እዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ተዛሪቡ ክብል ቤት ጽሕፈቱ ገሊጹ። እዚኦም፡ ኣመሪካ ምስቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ'ውን ንዝበጽሑ በደላት ተሓተትቲ'ዮም ዝበለቶም ውልቀሰባት እገዳ ንምንባር ዘኽእሉዋ ረቒቕ ሕጋጋት እዮም። እቶም ረቒቕ ሕጋጋት እንተጸዲቖም ድማ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ጉዳያት ድሕነት፣ ፋይናንስ ወይ ወፍሪ ከምኡ'ውን ኢሚግሬሽን ክልቲአን ሃገራትን ውልቀሰባትን እገዳ ክትገብር እያ። ኣመሪካ፡ ድሕሪ'ቲ 16 ኣዋርሕ ዘቑጸረ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝልሓመን ኲናት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉይ ልኡኽ ሰይማ ነቲ ጉዳይ ክትከታተሎ ዝጸንሐት ኮይና ምቁራጽ ተጻብኦ ክግበርን ቲ ኲናት ብዘተ ክውዳእን ጸቕጢ ክትገብር ጸኒሓ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ብፍላይ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ስጉምታት ክተወስድ እንከላ፡ በዚ ምኽንያት ክልቲአን ሃገራት ስጉምቲ ኣመሪካ ግቡእነት የብሉን ብምባል ክቃወምኦ ጸኒሕነ ኣለዋ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60857628"} {"headline":"ኲናት ትግራይ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ከምዝኣወጀ ገሊጹ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍታሕ \"ንዘይተወሰነ\" እዋን ዝጸንሕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ከምዝኣወጀ ኣፍሊጡ። ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ \"መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዕልን ንዘይተወሰነ እዋን ዝጸንሕን ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣዊጁ ኣሎ\" ኢሉ። \"እቲ ውሳነ፡ ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብቶም ደገፍ ዘድልዮም ብናጻ ዝውሕዘሉ ውሕስነት ንምርግጋጽ\" ዝዓለመ ምዃኑ'ውን እቲ ብቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን ዝወጸ መግለጺ ኣነጺሩ። \"እቲ ምቁራጽ ተጻብኦታት ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ኣዝዩ ከምዘመሓይሾን፡ ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭት ብዘይ ተወሳኺ ምፍሳስ ደም ንምፍታሕ መንገዲ ዘጣጥሕ\" ክኸውን ከምዝኽእል መግስቲ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ። እቲ ስጉምቲ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን ብዛዕባ ቅልውላዉ ትግራይ ድሕሪ ምዝርራቡ'ዩ ተወሲዱ ዘሎ። ብሰንኪ'ቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ሕሱም ጥምየትን ኩነታት ዓጾቦን ከምዘጋጠሞም ትካላት ረዲኤት ክሕብሩ ጸኒሖም'ዮም። ብሰንኪ'ቲ ክቕጽል ዝጸንሐ ረጽሚ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብታ ክልል ብስሩዕን ከምቲ ዝድለን ክኣቱ ከምዘይክኣለ ክግለጽ ጸኒሑ ነይሩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ውድብ ጥዕና ዓለምን ሕብረት ኣውሮጳን ብምዃን ሰብኣዊ ቀረባት ብነፈርቲ ናብታ ክልል ክኣቱ ክሰርሕ ከምዝጸንሐ ዝገለጸ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብመስመር ኣብዓላ-መቐለ ሰብኣዊ ረዲኤት ንምእታው ጻዕርታት ከምዘካየደ'ውን ጠቒሱ'ሎ። \"እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወሲድዎ ዘሎ ስጉምቲ ኣብ ምምሕያሽ ሰብኣዊ ኩነታት ናይቲ ክልል እቲ ዝድለ ውጽኢት ክህልዎ እንተኾይኑ፡ እቲ ካልእ ወገን [መራሕቲ ትግራይ] ተመሳሳሊ ግብረመልሲ ክህበሉ ኣለዎ\" ክብል'ውን እቲ መግለጺ ኣነጺሩ። ብወገን መራሕቲ ትግራይ ዛጊት ብዛዕባ'ዚ ሓድሽ ውሳነ መንግስቲ ዝተዋህበ ግብረመልሲ የለን። እንተኾነ ግን፡ ብሰንኪ ዕጽዋን ምጉንዳብ ዋሕዚ ሰብኣዊ ረዲኤትን፡ ብዙሕ ህዝቢ ናይቲ ክልል ኣብ ጸገም ወዲቑ ምህላዉ ክዛረቡ ጸኒሖ'ምዮም። ኣብቲ ንልዕሊ 16 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝሞቱን፡ ሚልዮናት ከምዝተፈናቐሉን ጸብጻባት ይገልጹ። ነቲ ግጭት ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ክሳብ ሎሚ ኣብ ዝኾነ ምቁራጽ ተጻብኦታት ይኹን ስምምዕ ክበጽሕ ኣይክኣለን። ቅድሚ ክልተ ሳምንታት ፈላማይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዘካየደ ገዛኢ ውድብ ብልጽግና ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ 16 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኵናት ንኸብቅዕ ኩሉ ዓይነት ናይ ሰላም ኣማራጺ ከምዝጥቀም ኣፍሊጡ ነይሩ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60865620"} {"headline":"ዶብ-ኣልቦ ሓካይም ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ቅትለት ሰራሕተኛታቱ ብፍላጥ ዝተገብረ'ዩ ኢሉ","content":"ዓለምለኻዊ ትካል ግብረሰናይ ዶብ ኣልቦ ሓካይም (ኤም-ኤስ-ኤፍ) እቲ ቅድሚ ሽድሽተ ወርሒ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ቅትለት ሰለስተ ሰራሕተኛታቱ ብፍላጥ ዝተገብረ ምዃኑ ከምዘረጋገጸ ኣፍሊጡ። ጓል 31 ዓመት ስጳኛዊት ማርያ ሀርናንዴዝን ወዲ 31 ዓመት ዮሃንስ ሓለፎምን ምስ ናይቲ ትካል ዘዋሪ መኪና ወዲ 31 ዓመት ቴድሮስ ገብረማሪያምን ብ17 ሰነ 2013 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ኣብ ስራሕ እናሃለዉ ከምዝተቐተሉ ይዝከር። ነቲ ቕትለት መን ከምዝፈጸሞ ዛጊድ ዝተረጋገጸ ነገር ከምዘየለ ፕረዚደንት 'ኤም-ኤስ-ኤፍ' ስፐይን ፓውላ ጊል ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ተዛሪባ። \"መሳርሕትና ዮሃንስ ሓለፎም፣ ቴድሮስ ገብረማርያምን ማሪያ ሀርናንደዝን ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝቕተሉ ድሕሪ 6 ወርሒ'ውን መን ሓላፍነት ከምዝወስድን ብዛዕባ ዝተቐትሉሉ ኩነታንን ብዝምልከት ንጹር መረዳእታ ኣይረኸብናን\" ኢላ። \"ኤምኤስኤፍ ንዝረኸቦም ሓበሬታ ብምውዳብ ተንቲኑ'ሎ። ብ24 ሰነ ካብቲ ፕሮጀክትና ዝርከበሉ ዓብዪ ዓዲ ከምዝተበገሱን ዝቖሰሉ ሰባት ንምእካብ ንኣንፈት ደቡብ ከምዝኸዱን ርግጸኛታት ኢና። ካብ ዝብገሱ ድሕሪ ሓደ ሰዓት መኪንኦም ደው ክትብል ተገይራ። \"ጸኒሕና ድማ ኣስከሬኖም ካብታ መኪና ርሒቑ ረኺብናዮ። ካብ ቀረባ ርሕቐት ብዝተተኮሰ ጠያይቲ እዮም ተወቒዖም። ካብዚ ዝተገንዘብናዮ ከኣ ኮነ ተባሂሉ ብዝተፈጸመ እምበር ግዳያት ልውውጥ ተኹሲ ከምዘይኮኑ እዩ\" ብምባል ገሊጻ። እቲ ቅትለት ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ምዃኖም እናተፈለጠ ከምዝተፈጸመ ዘዘኻኸረት እታ ፕረዚደንት መኪንኦም እውን ምልክት ናይቲ ትካል ዝተጠቅዓ ከምዝነበረት ሓቢራ። ዝተቐትሉሉ ዅነታት ንኽፃረን ዉፅኢቱ ንኽንገሮምን ምስ ሰበስልጣን ኢንትዮጵያን ህወሓትን ከምዝተዘራረቡ ሓቢራ'ላ። ኣብቲ ካብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝሞቱ ይግለጽ። ዶብ-ኣልቦ ሓካይምን ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ዝበሉ ትካላት ረዲኤት ነቶም ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ'ቲ ኲናት ዝተፈናቐሉን ቀረባት መግብን ኣገልግሎት ጥዕናን ክህቡ ምጽንሖም ይፍለጥ። እንተኾነ ግን ብሰንኪ'ቲ ዘይርጉእ ኩነታትን ደብዳባት ኣየርን ናብቲ ክልል ዝኣቱ ረዲኤት ብስሩዕ ከምዘይኣቱን ኣብ ገለ ከባቢታት'ውን ከምዘቋረጸን ትካላት ወሃብቲ ረዲኤት ገሊጾም ኣለዉ። \"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ቅትለት ሰራሕተኛታትና ምጽራይ የካይድ ምህላዉ ኣረጋጊጹልና'ሎ። ኤም ኤስ ኤፍ ናብ ህወሓት እውን ተመሳሳሊ ሕቶ ኣቕሪቡ ነይሩ። ግን ከኣ ክሳብ ሕዚ ውጽኢት ናይቶም ምርመራታት ኣይበጽሐናን። \"ኣብቲ እዋን ኣብቲ ቦታ ብዛዕባ ዝነበሩ ዕጡቓትን ምንቅስቓሶምን ብዝምልከት ንጹር መብርሂ ንክወሃበና'ውን ሓቲትና ኢና። ናብ ህወሓት እውን ተመሳሳሊ ሕቶ ኣቕሪብና ኢና\" ክትብል ፓውላ ጊል ተዛሪባ። ኤምኤስ ኤፍ ንቕትለት ሰራሕተኛታቱ ስዒቡ ካብ ሰነ 2021 ኣቆፃፅራ ኣውሮዻ ጀሚሩ ኣብ ከተማታት ዓብይ ዓዲ፡ ዓዲ ግራትን ኣኽሱምን ዝገብሮም ዝነበረ ዝተወሰኑ ንጥፈታት ደው ከምዘበለ ኣዘኻኺሩ'ሎ። ኣብ ወርሒ ሓምለ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓካይም ኣብ ክልላት ኣምሓራ: ጋምቤላ: ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ (ሽረን ሸራሮን) ከምኡውን ኣብ ክልል ሶማሌ ዝገብሮም ዝነበረ ንጥፈታት ምእጋዱ ይዝከር። እቲ እገዳ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተለዓ ኮይኑ፡ ደሕሪ'ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኣወጀ ህጹጽ ጊዜ ግን ብሰንኪ ስግኣት ድሕንነት ሰራሕተኛታቱ ንቡር ንጥፈታቱ ክጅምር ከምዘይከኣለ ኣፍሊጡ። ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ናብታ ብሰንኪ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኵናት ዝተጎድአት ትግራይ: ሕክምናዊ ቀረባት ንምብፃሕ ፍቓድ ከምዘይረኸበ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣፍሊጡ ነይሩ። ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ እቲ ትካል ካብ ዝሓለፈ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ሕክምናዊ ቀረባት ናብ ትግራይ ንምብፃሕ ብተደጋጋሚ’ኳ እንተሓተተ፡ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓድ ከምዘይተውሃቦ፡ ብመገዲ ትዊተር ገሊፁ። እቲ ውድብ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ሕክምናዊ ቀረባት ከብፅሕ ከምዝኸኣለን፡ ናብ ትግራይ ግና ከምዘይተፈቕደሉ ሓቢሩ። ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ናብ ክልል ዓፋር 14 ሜትሪክ ቶን ናብ ክልል ኣምሓራ ድማ 70 ሜትሪክ ቶን ሕክምናዊ ቀረባትን መሳርሒታትን ከምዘከፋፈለ ዝገለፀ ዶክተር ቴድሮስ፡ ህይወት ንምድሓን እቲ ቀንዲ ነገር ሰብኣዊ ሓገዝ’ዩ ኢሉ። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ቅትለትን ጥምየትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ይርከብ። ነቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንምንዳይ፡ ዝተፈላለዩ ወገናት ጻዕርታት ከካይዱ ምንሖም ይፍለጥ። እንተኾነ ግን ክሳብ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ኣይተኻእለን ዘሎ። ሕጂ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት፡ ብፍላይ መዋስንቲ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ውግኣት ይካየድ ምህላዉ ይንገር። ብሰንኪ ምቁራጽ መስመራት መራኸቢታት ናይቲ ከባቢ፡ እቲ ኩነታት ብናጻ ኣካል ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኮይኑ ይርከብ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59987683"} {"headline":"ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ 'ኣብ ትሕቲ ህወሓት ዘለዉ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ካብ ትካላት ረዲኤት ሓገዝ ኣይረኸቡን'","content":"ኣብ ትሕቲ ህወሓት ዘለዉ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ካብ ዓለምለኻውያን ትካላት ረዲኤት ሓገዝ ከምዘይረኸቡ ናይቲ ክልል ኮሚሽን ውሕስነት መግብን ምክልኻል ሓደጋን ገሊጹ። ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ናይቲ ኮሚሽን ኣቶ እያሱ መስፍን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ ሰሜን ወሎ፡ ዋግ ኽምራን ካልኦት ቦታታትን ሰብኣዊ ሓገዝ ክበጽሕ ብዘይምኽኣሉ፡ ብሰንኪ ሕጽረት መድሃኒትን መግብን ሂወት ሰብ ይሓልፍ ኣሎ ኢሉ። \"ብዝኣተውዎ ቃል መሰረት፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ይኹን ክልላዊ መንግስቲ፡ ኣብቶም ብህወሓት ዝተታሕዙ ቦታታት ዘለዉ ዜጋታት ረዲኤት ክወሃብ ምስ ዓለምለኻውያን መንግስታዊ ዘይኮኑ ውድባት'ኳ እንተ ተዘራረቡ፡ ጥብ ዝበለ ነገር የለን\" ክብል ገሊጹ። ትካላት ረዲኤት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኲናት ሰፊሕ ምፍንቓል ዝርከቦ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ተፈጢሩ ምህላዉን፡ ናብቶም በቲ ኲናት ዝያዳ ዝተጸልዉ ከባቢታት ብሰንኪ ዝገጥሞም ዕንቅፋታትን ገደባትን ሰብኣዊ ረዲኤት ከብጽሑ ከምዘይክኣሉ ክዛረቡ ጸኒሖም'ዮም። ትካል ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምቅላል 40 ሚልዮን ዶላር ባጀት ከምዝመደበ ብሰኑይ ኣፍሊጡ ነይሩ። ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ካብቲ ከባቢታት ናብ ርእሰከተማ ክልል ኣምሓራ ዝኾነት ባህር ዳር ዝኣተዉ ሓለፍቲ፡ ኣብ ምምሕዳር ዋግ ኽምራ፡ ሓያሎ ሰባት ብጥምየት ከምዝሞቱን፡ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ረዲኤት ዝበሃል ናብቲ ከባቢ ከምዘይበጽሐን ንቢቢሲ ሓቢሮም። ትካላት ረዲኤት \"ብዘይኣድልዎ\" ህጹጽ ሓገዝ ነቶም ተጸበይቲ ክህቡ ኣቶ እያሱ ጸዊዑ'ሎ። ዛጊት ኣስታት 2.1 ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም ምህላዎም እቲ ኣፈኛ ተዛሪቡ። እቶም ተፈናቐልቲ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከቡ 32 ግዝያዊ መጽለሊ ተዓቚቦም ምህላዎም ብምግላጽ፡ ብዙሓት ድማ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ኣትዮም ከምዝርከቡ ጠቒሱ። \"ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ተፈናቐልቲ ኣለዉ። 98 ሚእታዊት ዝኾኑ ኣብቲ ሕብረተሰብ ምስ ቤተሰብ ተጸጊዖም ዝርከቡ ክኾኑ እንከለዉ፡ 2 ሚእታዊት ድማ ኣብ ግዝያዊ ማዓስከራት ኣለዉ\" ይብል። እቶም ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ፈደራላዊ መንግስቲ ዝርከቡ ቦታታት ዘለዉ ተፈናቐልቲ፡ ካብ መንግስቲ፡ ትካላትን ውልቀሰባትን ዝተፈላለየ ሓገዛት ይረኽቡ ከምዘለዉ ገሊጹ። ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ህወሓት ዘሎ ከባቢታት ዝርከብ 5 ሚልዮን ህዝቢ ረዲኤት ከምዘድልዮ ዝገለጸ ኣቶ እያሱ፡ ኣብቲ ክልል \"ናይ ድኻታት ድኻታት\" ተባሂሎም ዝፍለጡ ዕለታዊ ናይ መግቢ ደገፍ ዝግበረሎም 1.89 ሚልዮን ተጸበይቲ ከምዘለዉ'ውን ሓቢሩ። ኣብ ክልል ትግራይ'ውን ብሰንኪ እቲ ኲናት ልዕሊ 5 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ረዲኤት ከምዝኾኑን፡ ኣስታት 400 ሽሕ ካብኦም ኣብ ኣፍ ዓጸቦ ዝበጽሑ ምንባሮምን ትካላት ረዲኤት ክገልጹ ምጽንሖም ይዝከር። ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ትካላት ረዲኤት ኩሎም ወገናት ናይቲ ኲናት ነቲ ግጭት ብሰላም ንምፍታሕን ህጹጽ ረዲኤት ንምብጻሕን ተጻብኦታት ከቋርጹ ክጽውዑ ምጽንሐም ይፍለጥ። እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ይቕጽል ምህላዉን፡ ነቲ ዝተፈጥረ ሰብኣዊ ቅልውላው የጋድዶ ምህላዉን ይግለጽ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ነቲ ሓይልታት ትግራይ ንከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ ኣብታ ሃገር ን6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ምህላዉ ይፍለጥ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59313530"} {"headline":"ቅልውላዉ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ኮምቦልቻ ዝርከብ መኽዘኑ ከምዝተዘምተ ኣፍሊጡ","content":"ኣብታ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሓይልታት ትግራይ እትርከብ ማእከል ኢንዱስትሪ ዝኾነት ከተማ ኮምቦልቻ ዝርከብ መኽዘኑ ከምዝተዘምተ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ኣፈኛ ናይቲ ትካል ቶምሰን ፊሪ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ክልል ኣምሓራ ረዲኤት ከብጽሕ ፍቓድ ከምዝረኸበ ተዛሪቡ። ነዚ ንምግባር ኣብ ዘካየዶ ቅድመ-ምድላው ግን፡ ሓያሎ ካብቲ ኣብታ ከተማ ዝነበረ ንብረቱ ከምዝዓነወን ኣብ ውሽጢ መኽዘን ዝነበረ እኽሊ ከምዝተዘምተን ሓቢሩ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ዝምታ መዓስን ብመንን ከምዝተፈጸመ ዝገለጾ ነገር የለን። ሓይልታት ህወሓት ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ንኣገደስቲ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ምቁጽጻሮም ይዝከር። ምዝራፍ ናይቶም መኽዘናት ነቲ ዝህቦ ህጹጽ ረዲኤት ከምዝድርቶ እቲ ኣፈኛ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ይገልጽ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ትካል ናብቶም በቲ ኲናት ዝተጸልዉ ከባቢታት ረዲኤት የብጽሕ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ካብ ሎሚ ሰሉስ ጀሚሩ ኣብ ከተማታት ኮምቦልቻን ደሴን ንኣስታት 450 ሽሕ ህዝቢ ረዲኤት ክዕድል ምዃኑ ሓቢሩ'ሎ። ኩሎም ኣብቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት፡ ምንቅስቓስ ትካላት ሰብኣዊ ረዲኤት ከኽብሩ ዳብሊው-ኤፍ-ፒ ተማሕጺኑ። ኣፈኛ ናይቲ ትካል ካብቲ ኣብ ጀነቫ (ስዊዘርላንድ) ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈቱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኩሎም ወገናት ህጹጽ ረዲኤት ናብ ተጸበይቲ ክበጽሕ መንገዲ ክኸፍቱ ጸዊዑ። እቲ ትካል፡ ዛጊት ኣብ ክልል ትግራይ ንልዕሊ 2.9 ሚልዮን ሰባት፡ ኣብ ክልል ዓፋር ን124 ሽሕ ከምኡ'ውን ኣብ ክልል ኣምሓራ ን220 ሽሕ ሰባት ረዲኤት ከምዘቕረበ ሓቢሩ። ናብቶም ውግእ ዝካየደሎም ቦታታት ከይተረፍ ረዲኤት ከምዘብጽሐ ድማ ጠቒሱ። ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ 3.7 ሚልዮን ረዲኤት ዝጽበዩ ሰባት ከምዘለዉ ብምሕባር፡ ኣብቶም ግጭት ዝካየደሎም ከባቢት ክኣትው መንገዲ ክኽፈተሎም ሓቲቱ'ሎ። ብዘይካ'ዚ፡ ብሰንኪ ምቁራጽ ገንዘባዊ ደገፍ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ረዲኤት ንጥፈታት ተኣጓጒሉ ከምዘሎ እቲ ኣፈኛ ተዛሪቡ። ኣብ ዝቕጽል 6 ኣዋርሕ፡ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ሕጽረት መግቢ ንምቅላል ብውሕዱ 279 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልዮ ቶምሰን ንጋዜጠኛታት ገሊጹ። ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዘሎ ሕጽረት መግቢ ንምቅላል ድማ፡ 546 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልዮን፡ እዚ እንተተረኺቡ ኣብ ዝቕጽል 6 ኣዋርሕ 12 ሚልዮን ሰባት ንምሕጋዝ ከኽእሎ'ዩ። ትካል ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምቅላል 40 ሚልዮን ዶላር ባጀት ከምዝመደበ ብሰኑይ ኣፍሊጡ ነይሩ። እቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቕጽል ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ምፍንቓል ከምዘስዓበን፡ ሚልዮናት ሰባት ተጸበይቲ ሰብኣዊ ረዲኤት ከምዝገበረን ይፍለጥ። እቲ መዕለቢ ተሳኢንሉ ዘሎ ኲናት ሕጂ'ውን ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ይቕጽል ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ህወሓትን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዝተባህለ ዕጡቕ ጉጅለን ነታ ኣብ መስመር ደሴ-ኣዲስ ኣበባ እትርከብ ከተማ ሽዋሮቢት ተቖጻጺሮማ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን፡ ነቲ ኲናት ንምምራሕ ናብ ግንባር ከምዝኸይድ ትማሊ ኣፍሊጡ ነይሩ። መራሕቲ ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ክልሎም ተነቢሩ ዘሎ ዕጽዋ ንምኽፋት መጥቃዕትታቶም ከምዝቕጽሉ'ዮም ዝገልጹ ዘለዉ። ብሰላማዊ ዘተ ንምፍትሑ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ፍረ ኣይሃበን ዘሎ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59394392"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ: ሓይልታት ትግራይ ሲቪላውያን ነፈርቲ ኣብ ኮምቦልቻ ከይዓልባ ኣጠንቂቖም","content":"ኣንጻር ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን መላፍንቶምን ዝቃለሱ ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብቲ ‘‘ኣብ ቀለበት ርሕቐት መድፍዕ ኣእቲናዮ’’ ዝበሉዎ መዓርፎ ነፍርቲ ኮምቦልቻ ሲቪላውያን ነፈርቲ ከይዓልባ ኣጠንቂቖም፡፡ እቲ ብሽም ‘ወታሃደራዊ ኮማንድ ፖስት ትግራይ’ ዝወጽአ መግለጺ ነበርቲ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ካብ ከባቢኦም ከይወጹን ከይፈናቐሉን እውን ጸዊዑ ኣሎ፡፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብቲ ኣብ ግንባር ደሴ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ኩታበር እትርከበን ካብ ደሴ ኣብ ቀረባ ርሕቐት ዝርከባ ከተማታት ካብ ኢድ ሓይልታት ፌደራል ከም ዝመንዝዑ ገሊጾም ኣለዉ፡፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ዛጊድ ብዛዕባ ግሰጋሰ ሓይልታት ትግራይ ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ የለን። ብሰንኪ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ምቁራጽ ተጻብኦታት እቲ ጸብጻብ ብናጻ ኣካል ክረጋገጽ ኣይተኻእለን ዘሎ። ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ክልል ኣምሓራ ሓያሎ ከባቢታት ተቖጻጺሮም ዘለዉ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት መንግስትን ኣብ ደቡብ ወሎ ከቢድ ውግእ ክቕጽል ምጽንሑ ይፍለጥ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሰብ መዚ ምምሕዳር ደቡብ ወሎ ነቶም ንገስጋስ ሓይልታት ትግራይ ንምዕጋት ናይ ክተት ጻውዒት ኣዊጆም ምንባሮም ይዝከር። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ኵናት ኣብቲ ንከተማ ወልድያ ምስ ከተማ ደሴ ዘራኽብ መስመርን ኣብተን ኣብቲ መስመር ዝርከባ ከተማታት መርሳ፡ ጎረዶ፣ ውጫልን ሃይቅን ብጻዕቂ ይካየድ ምህላዉ ካብቲ ከባቢ ዝተመዛበሉ ሰባት ይገልጹ። ካብዚ መስመር እዚ ንሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣብ እትርከብ፡ ኣቐዲሞም ሓይልታት ህወሓት ብኣንፈት ከተማ ላሊበላ ኣብ ዘለዉ ከባቢታት ከቢድ ምልውዋጥ ቶኵሲ ከምዝነበረ ምንጭታት ይሕብሩ። መስመር ወልድያ-ደሴ፡ ንክልል ዓፋር ተጎዝጊኡ ዝርከብ መስመር እዩ፡ ካብዚ መስመር ንሸነኽ ምብራቕ ዝርከብ ወረዳ ጭፍራ ናይ ክልል ዓፋር'ውን ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት ኵናት ዘካይዱላ ዘለዉ ወረዳ እያ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ጀሚሩ፡ ከተማ መቐለ ሓዊሱ ምስ ሰራዊት ትግራይ ምትሕሓዝ ኣለዎም ኣብ ዝበሎም ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ ደብዳብ ነፈርቲ የካይድ ከም ዘሎ እዩ ዝገልጽ፡፡ መራሕቲ ትግራይን መሰኻኽር ዓይንን ግና ደብዳብ ነፈርቲ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሰላማውያን ሰባትን ትካላት መሰረተ ልምዓትን ዒላማ ይገብራ ከም ዘለዋ ይኸሱ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝባን መሰቦ ኣብ እትርከብ ቁሸት ሓረና፣ ኣብ ከተማ መቐለ ከባቢ ዓዲ ሓቂ፣ ከባቢ መስፍን ኢንዳስትርያል ኢንጅነሪንግን ጥቓ ዩኒቨርሲቲ መቐለን ብዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ነፈርቲ ኣርባዕተ ሰባት እንትሞቱ ብዙሓት ከምዝቖሰሉ መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም፡፡ ብተመሳሳሊ ትማሊ ሰንበት፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከባቢ ማይ ጸብርን ኣብ ከተማ ዓድዋ ዝርከብ ፋብሪካ ጨርቃ ጨርቂ ኣልመዳን ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕቲታ ከምዝፈጸመ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ጸብጺበን፡፡ ውደብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ናብታ ብኲናት ዝተሃሰየትን ኣማኢት ኣሻሓት አብ ጫፍ ዓጸቦ ዝርከቡላን ክልል ትግራይ ዝገብሮ ዝነበረ በረራታት ሰብኣዊ ረድኤት ደው ከምዘበለ ምግላጹ ዝዝከር እዩ፡፡ ብሰንኪ እቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ክልል ትግራይ ተጀሚሩ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተጋፈሐ ኲናት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣስታት ሸውዓተ ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ፡፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝቖጻጸሩዎም ከባቢታት ሰሜን ወሎን ዋግ ኽምራን ምብጻሕ ከም ዘይከኣሉን ናይ ምግቢ ጸገም ክህሉ ከም ዝኽእልን ኮሚሽን ምክልኻል ሓደጋን ውሕስና ምግብን ክልል ኣምሓራ ብወገኑ ኣፍሊጡ ነይሩ እዩ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59040652"} {"headline":"ቅልውላዉ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ከተማ ደሴ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ነበርቲ እንታይ ይብሉ?","content":"ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ጥቓ እታ ዋና ከተማ ዞባ ደቡብ ወሎ ዝኾነት ከተማ ደሴ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ጎኑ ዝተሰለፉ ሓይልታትን ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዘካይዱዎ ዘለው ኵናት ተጠናኺሩ ከም ዝቐፀለ ነበርቲ ተዛሪቦም። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ኣብ ቀረባ ርሕቐት እታ ከተማ ኵናት ይካየድ ብምህላዉ፡ ድምፂ ከቢድ ብረታት ከም ዝሰምዑ ተዛሪቦም። ሓደ ነባሪ እታ ከተማ፡ “ክሳብ እቲ ኵናት ዝካየደሉ ዘሎ ቦታ በጺሐ እየ፤ ካብ ደሴ 7 ኪሎ ሜትር እዩ ዝርሕቕ። እቲ ውግእ ብኣንፈት ኩታበር ቦሩ ኣብ ዝበሃል ቦታ እዩ ዝካየድ ዘሎ” ኢሉ። ቅድሚ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ መዓልታት ሓይልታት ትግራይ “ብሓሶት ኣብዚ ቦታ ኣትዮም፣ ኣብዚ በፂሖም” እናተባህለ ብዙሓት ሰባት ወፂኦም እዮም። እታ ከተማ ግን ሰላም እያ ዘላ” ኢሉ። ካልኦት ነበርቲ’ውን፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ጥቓ ከተማ ደሴ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ከም ዝሰግኡ ገሊፆም። ብተወሳኺ ንባንክታት ተዓጺዮም ዝጸንሑ ትካላት ንግዲ መሊሶም ኣገልግሎት ንምሃብ ከም ዝኽፈቱ ተዛሪቦም። ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ዝስማዕ ዝነበረ ድምፂ ተዂሲ ከቢድ ብረት ከም ዝነከየ ካልኦት ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ገሊጾም። ኣብታ ከተማን ከባቢኣን ኣብ ዝንቀሳቐሳ ተሽከርከርትን ውልቀሰባትን ተሪር ቁፅፅር ይካየድ ከም ዘሎ ዝዛረቡ እቶም ነበርቲ፡ ሎሚ ሓሙስ ንጉሆ ኣብ ነበርቲ ናይ ምርግጋእ ስምዒት ከም ዘሎ ገሊፆም። \"ነታ ከተማለቒቕኩም ኣይትውፅኡ\" እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣቦወንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ነበርቲ ከተማታት ደሴን ኮምበልቻን ካብ ከባቢኦም ከይወፅኡን ክረጋግዑን ፀዊዑ። ኣብ ከተማ ደሴን ከባቢኣን ከቢድ ኵናት ይካየድ ከም ዘሎ ኣብ ዝተገለፀሉ እዋን እዩ፡ ዶክተር ደብረፅዮን ነዚ ፃውዒት ኣቕሪቡ ዘሎ። “ኣይትረበሹ፡ ንከተማ ገዲፍኩም ኣይትውፅኡ። ተረጋግዑ ንባዕልኩም ናብ ምስቅልቅል ኣይተሳጥሑ ክንብል ንደሊ” ድማ ኢሉ። ወሲኹ፡ “ሰራዊት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍፅሞ ግፍዒ፡ ሕነ ምፍዳይን ቂምን የብሉን። እኳ ድኣስ ኣብ በብከባቢኡ ጉድኣት ከይበፅሐኩም ግቡእ ጥንቃቐ ግበሩ። . . . ኣብ ውሽጢ ከተማ ኮይኑ፡ ካብ ገዛ ዝትኩስ ከይህሉ ግቡእ ስጉምቲ ውሰዱ” ክብል ፀዊዑ። እቲ ኵናት ንከተማ ደሴ ቀረባ ኣብ ዝኾኑ ከባብታት ምክያድ ምስ ጀመረ፡ ነታ ከተማ ገዲፎም ዝወፅኡን ንምውፃእ ዝፈተኑን ሰባት ከም ዝነበሩ፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ሓቢሮም። ብሰንኪ እቲ ኩነታት ከኣ ዋጋ መጓዓዝያ ኣዝዩ ከም ዝወሰኸ ይግለፅ። ሓይልታት ትግራይ ንከም ከተማታት ላሊበላን ወልድያን ምስ ተቖፃፀሩ፡ ኣብ ደቡብ ወሎ ንዝርከባ ደሴን ኮምበልቻን ንምቁፅፃር ፃዕሪ ይገብሩ ኣለዉ። ነበርቲ ከተማታት ደሴን ኮምበልቻን ናብ ግንባር እቲ ኵናት ይውሕዙ ከም ዘለዉ እዩ ዝግለፅ። ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ እታ ዝዓበየት ከተማ ደሴ “ካብ ሰሜን ወሎን ዋግ ህምራን ዝተመዛበሉ 500 ሽሕ ሰባት ኣፅሊላ” ከም እትርከብ እዩ ዝግለፅ። ኣብ ከተማ ደሴ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታትን ተመዛበልትን ካብ ኣማሓደርቲ እታ ከተማን ዞባን ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሰብመዚ ክልል ኣምሓራ ነቶም ንቕድሚት እናደፍኡ ዝኸዱ ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ ንምክልኻል ክተት ከም ዝኣወጁ ይዝከር። ካብ ሰራዊት መንግስቲ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ ሎሚ'ውን ቀጺሉ ውዒሉ'ሎ። ዋላ'ኳ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ እቲ ዝካየድ ዘሎ ደብዳባት ሓይልታት ትግራይ ዝጥቀምሎም ትካላት ዒላማ ዝገበረ'ዩ እንተበሉ፡ መራሕቲ ህወሓትን መሰኻኽር ዓይኒን ግን ሓያሎ ሲቪላውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይገልጹ። ኣብዚ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ብውሕዱ 6 ሰባት ከም ዝተቐትሉን ሓያሎ ከም ዝቖሰሉን ጸብጻባት ካብቲ ክልል ሓቢሮም። ኣብ ዝሓለፉ ሰሙን ብዝተኻየዱ ደብዳባት'ውን ሓያሎ ሰባት ተቐቲሎም ነይሮም። እቲ ንኣስታት ሓደ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ጥምየትን ሞትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ምህላዉ ይፍለጥ። ማሕበረሰብ ዓለም እቲ ንሰሜን ኢትዮጵያ ናብ ዓውደ-ኲናት ዝቐየረ ግጭት ብሰላማዊ ዘተን ምቁራጽ ተጻብኦታትን ክፍታሕ'ኳ እንተጸውዐ፡ ክሳብ ሕጂ ፍረ ዘምጽኡ ተበግሶታት ኣይተርኣዩን።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59081911"} {"headline":"ርእይቶ፡ ኣብ ትግራይ ህዝቢ ብጥሜት እናተፍሓሰ- ስለምንታይ እዩ “ዓጸቦ” ዘይተኣወጀ?","content":"ብኣሌክስ ዲ ድዋል - ተንታኒ ኣፍሪቃ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ፡ ዓመቱ ክመልእ ቅሩብ ዝተረፎ ኵናት፡ ጃምላዊ ጥሜት እኳ እንተጋጠመ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ዓለም ለኻዊ ረድኤት ግን ዛጊድ “ዓጸቦ” ከምዘጋጠመ ኣይኣወጁን። መጠንቀቕታ፦ ኣብዚ ዓንቀጽ ዘሎ ኣሳእል ንገለ ሰባት ከሰምብዶም ይኽእል እዩ። ኣብዚ ሰሙን’ዚ፡ ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከብ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር፡ ህጻናት ብጥሜት ይሞቱ ከምዘለው ጸብጻባት ይገልጹ። እቶም ሓካይም ኣሳእል ናይቶም መሰናግለኦም ዝወጽአን ኣኽብዶም ዝሓበጠን ብጕድለት መኣዛታት ዝተዳኸሙ ንኣሽቱ ቘልዑ ከም ጭብጢ ኣቕሪቦም። ንሳቶም ካብቶም ንሒደት ሰሙናት ኣብ ሆስፒታል ካብ ዝርከብ ውሑድ ምግቢ ትንፋስ ክመልሱ ዝኸኣሉ ዕድለኛታት እዮም። ኣብ ገጠራት ትግራይ፡ እቲ ናይ ጥሜት ኵነታት ኣዝዩ ከቢድ እዩ ዘሎ። እቲ ውግእ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ምስ ጀመረ ድሕሪ ኣስታት ክልተ ወርሒ ኣቢሉ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዓዲ ግራት “ሰባት ብጥሜት ክሞቱ ከምዝጀመሩ” ሓቢሮም ነይሮም። ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ኮሚቴ ናይ ሓንቲ ቊሸት፡ ኣብቲ ኣብ ዕጽዋ ዘሎ ማሕበረሰቡ ኣስታት 125 ዝኾኑ ሰባት ብጥምየት ከም ዝሞቱ ዝገልጽ ዝርዝር ኣቕሪቡ ነይሩ። ድሕሪ ነዊሕ ድኻምን ሃልክን ንመዓልታት ብእግሮም ተጓዒዞም ንከተማ መቐለ ዝኣተው ስድራ ቤታት ኣብ መገዶም ኣቝጽልትን ሰራውርን እናተመገቡ ህይወቶም ከምዘድሓኑ ገሊጾም። ዳይረክተር ሆስፒታል ዓይደር ዶክተር ሓየሎም ከበደ፡ ኣብቲ ሆስፒታል ዝሰርሓ ነርስታት ምሉእ መዓልቲ ዕኹቲ ቖሎ ተመጊበን ከምዝውዕላን፡ ንባዕላቶም ደቆም ብዓጸቦ ከምዝተጠቕዕዎምን ሓቢሩ። ካብ ወርሒ ሰነ ኣትሒዙ ባንክታት ስለ ዝተዓጽወ፡ ሰራሕተኛታት ደሞዝ ከይተኸፍሉ ኣርባዕተ ወርሒ ገይሮም ኣለዉ ። ጥረ ገንዘብ እውን ስለዘየለ ዋጋታት ሃለኽቲ ኣዝዩ ንሂሩ ኣሎ። ኣብ ነሓሰ፡ ልዕሊ 20% ካብቶም ዝተመዛበሉ ቘልዑ ብሕጽረት ምግቢ ከምእተጠቕዑ ዝገልጽ ጸብጻብ ነይሩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ብ ሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከኣ 79% ጥኑሳትን ዘጥብዋን ኣዴታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከባ ይሕብር። እዚ ደረጃ ጥምየት እዚ ምስቲ ሳሕቲ ዝረአን፡ ኣብ 2011 ኣብ ሶማልያ ልዕሊ 250,000 ሰባት ዝቐዘፈን ዓጸቦ እዩ ዝነጻጸር። “ምልክታት ዓጸቦ” እቲ ውግእ ምስተወልዐ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ብዘወሃሃድ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ዝወጽአ ሓበሬታ (ዳታታትን ካርታታትን) እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው እናኸፍአ ይኸይድ ከምዘሎ እዩ ዘርኢ። እቲ ጸብጻብ ኣስታት 400,000 ሰባት፡ ኣብቲ ውሕስነት ፕሮግራም መግቢ ሕቡራት ሃገራት ንጥሜት ዝሰርዓሉ ደረጃታት ኣብ መበል ሓምሻይ ተርታ ከምዝርከቡ ይሕብር። እቲ መበል ሓሙሻይ ደረጃ ናይ ጥሜት መለክዒ ከኣ ዳርጋ ናብ ዓጸቦ ዝቀራረብ ስለዝኾነ ኣዝዩ ዘሰክፍን ዘሻቕልን እዩ። እዚ ጸብጻብ እምበኣር መሰረት ናይቲ 400,000 ሰባት \"ኣብ ዘሻቕል ጥሜት\" ከም ዘለዉ ብተደጋጋሚ ክዝረብ ዝጸንሐ ዘረባ እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ከኣ እቶም ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝኾን ህዝቢ ትግራይ ብምሉኦም ህጹጽ ረድኤት የድልዮም ኣሎ ። ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ካብ ትግራይ ዝተረኽበ ጭብጢ ንምግምጋም፡ ናይ ጥሜትን ዓጸቦን ኩነታት ዝግምግምን ዘጽንዕን ኮሚቴ ክኢላታት ውሕስነት መግቢ ኣንቀሳቒሱ ነይሩ። እቲ (FRC) ዝተሰምየ ናጻ ጕጅለ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ከጋጥም ምስ ዝኽእል ኩናትን ጥሜትን እንታይ ክስዕብ ከምዝኽእል ዝገልጽ ኣርባዕተ ተኽእሎታት ዘነጽር ጸብጻብ ኣዳልዩ ኣሎ። እቲ ኲናት እናበርተዐ ብምምጽኡ እቲ ኩነታት ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። ሰብኣዊ ሓገዝ ትሕቲ 10% ናይቲ ትጽቢት ዝግበረሉ እዩ ዝኣቱ ዘሎ። ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ባንክታት ምሉእ ብምሉኡ ስለዝተዓጽው ቁጠባ ተዳኺሙ እዩ። ኣገደስቲ ቀረባት የለን። ስለዝኾነ እቲ ኮሚቴ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም፡ \"ካብ ማእከላይ ክሳብ ዝለዓለ\" ደረጃ ጥሜት ከጋጥም እዩ ክብል ሓቢሩ’ሎ። እቲ ማእከላይ ዝበሃል ናይ ጥሜት ደረጃ ክሳብ ወርሒ መስከረም እቲ ዝለዓለ ጥሜት ከኣ ድሕሪ መስከረም ኣብ ዘሎ እዋናት ከምዘጋጥም ይገልጽ። ግልጽን ቴክኒካውን ብዝኾነ ቋንቋ ዝቐረበ ጸብጻብ FRC፡ ህጹጽ ስጕምቲ ክወስድ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ። ንሱ ከኣ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምርካብ ዝግበር ብርቱዕ ጻዕሪ ጥራይ ዘይኰነስ: እተን ትካላት ኣበይን ንመንን እንታይ ከም ዘቕርባ ምእንቲ ክፈልጣ ጽዑቕ ናይ ሓበሬታ ምትእኽኻብ ስራሕ ከካይዳ ይግባእ ይብል። እቲ ትካል፡ ብዛዕባ ንሓበሬታ ምእካብን ኣጠቓላሊ ትንተናን ብዝምልከት ሓደ ገጽ ምሉእ እማመታት ኣቕሪቡ ኣሎ። ኣብ ርእሲኡ ሰሙናዊ ምክትታል ክግበርን፡ ስሩዕ መርመራታት ጥሜት፡ ከምኡውን ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ ምሉእ ዳህሳስን ገምጋምን ክግብር እውን ኣተሓሳሲቡ ኣሎ። ይኹን እምበር ካብቲ ዝተዋህበ እማመታት ዛጊት ዋላ ሓደ ነገር ኣይተገብረን። ብርግጽ ውሑዳት ሰራሕተኛታት ዓለም ለኸ ረድኤት ናብ ትግራይ ክጉዓዙ ተፈቒዱሎም እዩ። እንተኾነ ዘተኣማምን ናይ ርክብ መሳርሒታት ከይማልኡ ተኸልኪሎም። ኣብ ርእሲኡ፡ እቲ ዳታ ዝሕዙሉ ዩኤስ.ቢ ይኹን ተሌፎናቶም ስእሊ ከይህልዎ ኩሉ ተፈቲሹ እዩ ። ነቲ ናይ ቀደም ናይ ኢትዮጵያ ጥሜት ጋዜጠኛታት እዮም ኣቃሊዖምዎ። ኢንግሊዛዊ ጋዜጠኛ ጆናታን ዲምብልቢ ነቲ ኣብ 1973 ዘጋጠመ \"ዘይተፈልጠ ጥሜት\" ናብ ዓለም ኣቕሪብዎ። ነቲ ብ1984 ዘጋጠመ ጥሜት ከኣ ዋላ’ኳ እቲ ሽዑ ዝነበረ ወተሃደራዊ መንግስቲ ክሓብኦ እንተፈተነ ማይክል ቡረክን መሓመድ ኣሚንን ዝርከቡዎም ጉጅለ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ እዮም ኣቃሊዖምዎ። እዚ ናይ ሕጂ መንግስቲ ከኣ ንኹሎም ጋዜጠኛታት ካብ ትግራይ ኣውጺኡዎም ኣሎ። ብዛዕባ ናይ ረዲኤት ቃፍላይ ዘሎ ክትዕ ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ፡ \"ኣብ ትግራይ ጥሜት የለን\" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ጥሜት \"ቀልጢፉ\" ክውን ከምዝኸውንን ሰባት ምግቢ ስኢኖም 'ክሞቱ ከምዝጅምሩን ብምግላጽ መንግስቲ ሓላፍነቱ ክስከም ኣተሓሳሲቦም። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሓላፍነት ናይ’ዚ ቅልውላው ነቲ 'ግብረ ሽበራዊ' ክብል ዝገለጾ ገዛኢ ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ከምዝኾነ እዩ ዝገልጽ። ኣብ ርእሲኡ ሰራዊት ትግራይ ነቲ ኲናት ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምውሳድ ሰብኣዊ ቅልውላው ፈጢሮም ክብል እውን ይኸሶም። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብተን ክልላት ህጹጽ ረድኤት ዘድልዮም ብኵናት ዝተፈናቐሉ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝዀኑን ክንዲ ፍርቆም ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሉ ሰባት ከምዘለውን ሓቢሩ። ይኹን እምበር እቲ ንሓቅታት ዘረጋግጽ ትካል ቢቢሲ (ፋክት ቸክ) እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርገሐ ናይ ጥሜት ኣሳእል፡ ናይ ካልእ ግዜያትን ቦታን ምዃኑ ኣረጋጊጹ’ዩ። እቶም ዝግስግሱ ዘለው ሓይልታት ትግራይ ናይ መግብን መድሃኒትን ጠለባት ይሓቱ ከም ዘለዎም ዝገልጽ ዘተኣማምን ጸብጻብ ኣሎ ። ብተወሳኺ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ግስጋሰ ሰራዊት ትግራይ ንመስመራትን ኣቕርቦን ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝዓገቶ ይሕብር። ይኹን ምበር ኣብቲ ሰብኣዊ ረድኤት ዝጓዓዓዘሉ ቀንዲ መስመር ሰመራ-ትግራይ ምንም ኵናት ከምዘየሎ እቶም ናይ መንግስቲ ምልሻታት ዕንቅፋት ከምዝፈጥሩ ትካላት ረድኤት ይዛረቡ። ብተወሳኺ እተን ረድኤት ሒዘን ናብ ትግራይ ዝኣትዋ መካይን፡ ህወሓት ንናይ ኵናት መዓላ ከምዝጥቀመለን ይኽሰስ። እንተኾነ እቲ ሓቅትታ ዘጻሪ ትካል ቢቢሲ ግን እተን መካይን መምለሲ ነዳዲ ስለዘይረኽባ ከምዘይምለሳ ይገልጽ። እቲ መንግስቲ፡ እዚ ሕጂ ኣጋጢሙ ዝበሃል ዘሎ ጥሜት ቅድሚ ኵናት ምጅማሩ ብሰንኪ ወራር ኣንበጣ ዝተኸስተን ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ረድኤት የድልዮም ከምዝነበረ ይሕብር። ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል ስለዝደፍኦ ህዝቢ ረጊኡ ክሓርስን ትካላት ረድኤት ኣብቲ ክልል ብዘይ ጸገም ናብ ዝደለየኦ ክጓዓዛ ክኢለን። ሰብኣዊ ጸገማት ንምፍታሕ ከኣ መጀመርታ ናብ ትግራይ ምእታው የድሊ። ሰበ-ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ ረድኤት ንኸይጓዓዓዝ ቀንዲ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ፖሊሲ መንግስቲ ምዃኑ ይገልጹ። ብ29 መስከረም፡ ሓላፊ ናይቲ ኦቻ ዝተባህለ ትካል፡ ማርቲን ግሪፊዝ፡ \"እዚ ጥሜት ሰብ-ሰራሕ ስለዝኾነ ብግብራዊ ስራሕ መንግስቲ ክፍታሕ ይኽእል እዩ\" ኢሉ ነይሩ። ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት እታ ሃገር ኢዶም ከእትው ፈቲኖም ንዝበሎም ሸውዓተ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰጒጉዎም። ሓላፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ ኣብ ክፉት ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምስጓጕ ናይቶም ሰበ ስልጣናት ብግልጺ ብምኹናን ኢትዮጵያ ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበራ ስምምዕ ብወግዒ ከምዝጠሓሰቶ ገሊጹ። ብድሕርዚ ኢትዮጵያዊ ወኪል ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቶ ታየ ኣፅቀ ስላሴ፡ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት 'ተደናገጽቲ ወያነ' እዮም ክብል ብተደጋጋሚ ክሲ ኣቕሪቡ። ኣቶ ጉተረስ ከኣ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ምስ ዶክተር ኣቢይ ክልተ ግዜ ከምእተዘራረበን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ክሲ ዝምልስ ጭብጢን ዝርዝር ሓበሬታ ከምዘይሃበን ኣረዲኡ። ኣብ ትካል ኦቻ ንሚስተር ማርክ ሎውኮክ ዝተክአ ሚስተር ግሪፊዝ ኣብ ሰነ ጡረታ ቅድሚ ምውጽኡ ብማዕከን ዜና PBS ኒውሸር፡ \"መንግስቲ ኢትዮጵያ ንትግራይ ከጥምያ ይፍትን ኣሎ ድዩ ?\" ክብል ተሓቲቱ። \"እወ\" ክብል መሊሱ ነይሩ። ሚስተር ሎውኮክ ቀጺሉ፡ \"ንሽዱሽተ ሚልዮን ሰባት ንምጥማይ ዝግበር ፈተነ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ዘጋጥም ዘሎ ነገር ንምሽፋን ዝግበር ካልእ ፈተነ እውን ኣሎ\" ክብል ተዛሪቡ ። ተጋሩ ብጥሜት ይሳቐዩ ምህላዎም ዘተሓትት ኣይኮነን። እንተዀነ ግን: መኣዛዊ ኣመጋግባን ብጥሜት ብዛዕባ ዝስዕብ ሞት እኹል መጽናዕትታትን ስለ ዘየለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት “ዓጸቦ ጥሜት” ንከይእውጅ ተቖጢቡ ኣሎ። እዚ ከኣ ብምኽንያት ቴክኒካዊ ጸገማት ይጋደድ ኣሎ። ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝተጋብአ ዋዕላ G7 ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ጀፍ ፈልትማን ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላው “ዓጸቦ” ምዃኑ ንምግላጽ፡ \"መቓብራት ክንቆጽር ክንጽበ የብልናን\" ብምባል፡ እቲ ኩነታት እናኸፍአ ይኸይድ ምህላው ኣጠንቂቑ ነይሩ። መደርኡ መጠንቀቕታ እዩ ነይሩ። ቅልጡፍ ስጕምቲ እንተ ዘይተወሲዱ ትንቢትን ፍርድን ክኸውን እዩ። እቲ ሕቶ ኣብ ትግራይ ጥሜት ኣሎ ድዩ የለን ዘይኮነስ፡ እቲ ጥሜት ጠጠው ቅድሚ ምባሉ ክንደይ ሰባት ክሞቱ እዮም ዝብል እዩ ። ኣሌክስ ደ ድዋል፡ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ቱፍትስ ናይ ሕግን ዲፕሎማስን መምህርን ሓላፊ ዓለማዊ ትካል ሰላምን እዩ ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58944423"} {"headline":"መንግስቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ንክበጽሕ በረራታት ከቀላጥፍ ምዃኑ ኣፍሊጡ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ምግብን መድሓኒትን ዝበሉ መሰረታዊ ቀረባት ሓገዝ ናብ ትግራይ ንምብጻሕ፡ መዓልታዊ ዝግበሩ በረራታት ከምዘቀላጥፍ ኣፍሊጡ፡፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዝሓልፈሉ መንገዲ ኲናት ይካየድ ብምህላዉ፡ ምጉዕዓዝ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝተኣጓጎለ ምስገለጸ እዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ በረራታት ከምዘሳልጥ ገሊጹ ዘሎ፡፡ እቲ ውድብ ኣብ መግለጺኡ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልል ዓፋር ብኣንፈት ኣብዓላ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከም ምግብን መድሓኒትን ዝኣመሰሉ ቀረባት ሰብኣዊ ሓገዝ ክቕንስ፣ ከናውሕን ክስርዝን ከምዝተገደደ ኣፍሊጡ እዩ፡፡ ኣተሓባባሪ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ብሓሙስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ‘‘ካብ ሰመራ ብኣብዓላ ኣቢሉ ናብ መቐለ ዝጎዓዝ ሰብኣዊ ረድኤት ብሰንኪ እቲ ኣብ ኣብዓላ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ካብ ብ5 ታሕሳስ 2014 ዓ\/ም (ግእዝ) ጀሚሩ ተቛሪጹ ይርከብ’’ ኢሉ፡፡ ሚኒስተር ጉዳየት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣመልኪቱ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ ዘሎ ዓብዪ ጠለብ መሳርሒ ሕክምና ይርዳእ እዩ ኢሉ፡፡ እንተኾነ መንግስቲ ምስ ሓገዝቲ ትካላት ብምዃን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ጻዕሪኳ እንተገበረ ፡ ህወሓት ካልኣይ መጥቃዕቲ ብምኽፋቱ ፍቓድ ዝተውሃቦም መድሓኒታትን ቀረባት ሕክምናን ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ካብ ኣብዓላ ምሕላፍ ኣይከኣሉን ኢሉ፡፡ በዚ ምኽንያት ብመሬት ካብ ዝግበር ምጉዕዓዝ ሰብኣዊ ሓገዝ ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ፌደራል መሰረታዊ ሰብኣዊ ሓገዝ ብኣየር ንምብጻሕ መዓልታዊ በረራታት ከምዘመቻቹ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣፍሊጡ፡፡ በዚ መሰረት ሚኒስትሪ ጥዕናን ኣመራርሓ ስራሕ እዋን ሓደጋን ምስ ዓለም ለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ካልኦት ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ብምዃን፡ መሰረታዊ ዝኾኑ መድሓኒታትን ቀረባትን፡ ኣቑሑት ብዝጽዕና ነፈርቲ ብመዓልታዊ በረራታት ምብጻሕ ከምዘተሓባብር እቲ ሚኒስተር ገሊጹ፡፡ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያን መላፍቶምን ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ ግና መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ኢሉ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ከይኣቱ ከምዝኸልከለን፡ ሐዚ ድማ ናብ ትግራይ ተመሊሱ ንምእታው ተደጋጋሚ ፈተነ ይገብር ከምዘሎን ይኸሱ፡፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ዘይተኣወጀ ዕጽዋ ከምዘላ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ብወገኑ ናብ ትግራይ መድሓኒት ከየእቱ ብመንግስቲ ከምዝተኸልከለ ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ገሊጹ ነይሩ፡፡ ብሰንኪ እቲ ካብ ዝጅመር 15 ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት፡ ብዙሓት ዜጋታት ህይወቶም እንትስእኑ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንከቢድ ዓጸቦ ተቓሊዖም እዮም፡፡ ብፍላይ ኣብታ ብኸቢድ ዝተሃሰየት ትግራይ፡ ብሰንኪ ዕጽዋ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ብፍላይ ትካላት ጥዕና ብሰንኪ ሕጽረት መድሓኒትን መሳርሕታትን ኣገልግሎት ኣብ ዘይህባሉ ብርኪ ከምዝበጸሓ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ እዩ፡፡","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60113941"} {"headline":"ውድብ ጥዕና ዓለም ናብ ትግራይ ሕክምናዊ ቀረባት ንምብፃሕ ፍቓድ ከምዘይረኸበ ኣፍሊጡ","content":"ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ናብታ ብሰንኪ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኵናት ዝተጎድአት ትግራይ: ሕክምናዊ ቀረባት ንምብፃሕ ፍቓድ ከምዘይረኸበ ኣፍሊጡ። ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ እቲ ትካል ካብ ዝሓለፈ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ሕክምናዊ ቀረባት ናብ ትግራይ ንምብፃሕ ብተደጋጋሚ’ኳ እንተሓተተ፡ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓድ ከምዘይተውሃቦ፡ ብመገዲ ትዊተር ገሊፁ። እቲ ውድብ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ሕክምናዊ ቀረባት ከብፅሕ ከምዝኸኣለን፡ ናብ ትግራይ ግና ከምዘይተፈቕደሉ ሓቢሩ። ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ናብ ክልል ዓፋር 14 ሜትሪክ ቶን ናብ ክልል ኣምሓራ ድማ 70 ሜትሪክ ቶን ሕክምናዊ ቀረባትን መሳርሒታትን ከምዘከፋፈለ ዝገለፀ ዶክተር ቴድሮስ፡ ህይወት ንምድሓን እቲ ቀንዲ ነገር ሰብኣዊ ሓገዝ’ዩ ኢሉ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ልዕሊ መዓስከር ተመዛበልቲ መጥቃዕቲ ኣየር ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ትካላት ረድኤት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝህብዎ ዝነበሩ ኣግልግሎት ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘቋረፁ ገሊጾም። ኮሚሽን ጉዳያት ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ)፡ ብመሰረት ዝበፅሖ ኣፈናዊ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣብ ከተማ ደደቢት ኣብ ልዕሊ መፅለሊ ተመዛበልቲ ብዝተፈፀመ ከቢድ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ብዙሓት ስቪላት ከምዝተቐተሉን ከምዝተጎድኡን ን AFP ገሊፁ። \"ኣብቲ ከባቢ ብሰንኪ ዝፍፀም ዘሎ መጥቃዕቲ ድሮን ድማ፡ መዳርግቲ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ስራሕቶም ከቋርፁ ተገዲዶም\" ኢሉ። ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ናብ ትግራይ ዘቕርቦ ሕክምናዊ ቀረባት፡ ኣብ ትግራይ ንዘሎ ናይ ጥዕናን ሰብኣውን ጠለባት ንምምላእ ምሓገዘ ኔሩ ኢሉ። ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ኩነታት ኣብ ዝርከባ ሃገራት ሶሪያ፣ ደቡብ ሱዳን፣ የመንን ካልኦትን ሃገራት’ኳ፡ ውድብ ጥዕና ዓለምን መሻርኽቱን፡ ሂወት ንምድሓን ምብፃሕ ክኢሎም እዮም ። ኣብ ትግራይ ዝተነበረ ዕፅዋ ግና ሰብኣዊ ሓገዛት ብምኽልካል ሂወት ሰባት ይቐትል ኣሎ ኢሉ። ዶክተር ቴድሮስ፡ ኩሎም መራሕትን ኣብቲ ኵናት ይሳተፉ ዘለዉን ኣካላት፡ ንሰላም ዝተግሁ ኣብ ታሪኽ ዝዝከሩ ጀጋኑ ምዃኖም ክዝክሩ እፅውዕ ኢሉ። “ጥዕና ንሰላም፡ ሰላም ንጥዕና” ኣድላይ ከምዝኾነ ዝገለፀ ዶክተር ቴድሮስ፡ ሂወት ንምድሓን ኣብ ኩሎም ዞባታት ጎንፂ: ሰብኣዊ ሓገዝን ቀረባት ሕክምናን ንምቕራብ መተሓላለፊ መገድታት ክፉታት ከምዝኾኑ ምርግጋፅ የድሊ\" ክብል ኣገንዚቡ። እዚ ምስዝኸውን ዓለምለኻዊ ትካላት ረድኤትን ጉጅለታት ሲቪል ማሕበረሰብን ሂወት ንምድሓን ዝከኣለን ኩሉ ከምዝገብራ ኣብሪሁ። \"ቀንዲስራሕናናይሞትምስክርወረቐትምሃብኮይኑይርከብ\" ሰብሞያ ሕክምና፡ ኣብ ትግራይ፡ ሰኣን ቀረብ ኣፋውስ ህፃናት ዝርከብዎም ተሓከምቲ ይሞቱ ከምዘለዉ ንቢቢሲን ኣብ ዘውፅእዎ መግለፅን ኣፍሊጦም’ዮም። ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት፡ ሓይልታት ፌደራልን መሻርኽቶምን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዘንበርዎ ዕፅዋ: ኣፋውስን መሳርሕታት ሕክምናን ክበፅሖም ከምዘይከኣለ እቶም ዶካትር ገሊፆም። ብሰንኪ እዚ፡ ብኣፋውሳትን መሳርሕታት ሕክምናን ክድሕኑ ዝኽእሉ ሰባት ንሞት ከምዝተቓልዑ ብምግላፅ ንመንግስቲ ፌደራል ይወቕሱ። ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሚኒስተር ኮሚኒኬሽን ለገሰ ቱሉ ግና፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንበሮ ዕግታ የለን ክብል ንሮይተርስ ተዛሪቡ። \"ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ትግራይ ዘጋጠም ዘሎ ምሉእ ብምሉእ ሓላፍነት ናይ ህወሓት'ዩ\" ከምዝበለ ድማ ሮይተርስ ምፅብፃቡ ይዝከር። ዶካትር፡ ናይቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ኣብ ትግራይ ዝዓበየ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር: ንሮይተርስ ብቴለፎን ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ብሰንኪ ስእነት ከም መጀነኒ 'ጎዝ'ን 'ኢንትራቨነስ ፍልዪድ' (ሓይሊ ዝህብ ፈሳስን) ዝበሉ መሰረታዊ ሕክምናዊ ነገራት ብምስኣኖም፡ ክልተ ቆልዑ ከምዝሞትዎም ገሊፆም ነይሮም። እቶም ሰብሞያ ከምዝሓበርዎ፡ 117 ሰባት ኣብቲ ሆስፒታል ክሞቱ እንከለዉ፡ ብዙሓት ካልኦት ፀገማት ኣጋጢምዎም ኣሎ። ናብ ትግራይ ዝኣቱ ሰብኣዊ ረዲኤት ስሩዕ ዘይምዃኑን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ምድንጓይን ምትዕንቓፍን ከጋጥሞ ምጽንሑ ትካላት ረዲኤት ከማርሩ ምፅንሖም ይፍለጥ። እቲ 500 ዓራት ዘለዎ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር፡ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ፡ ተወሳኺ ሕክምናዊ ቀረብን መሳርሕታትን ከምዘይተዋህቦ ሰለስተ ሓካይም ናይቲ ሆስፒታል ንሮይተርስ ሓቢሮም። \"ቀንዲ ስራሕና ናይ ሞት ምስክር ወረቐት ምሃብ ኮይኑ ይርከብ\" ክብል እቲ ሆስፒታል ንዓለምለኻውያን ትካላት ረዲኤት ኣብ ዘዳለዎ ሰነድ ይገልፅ። ዘይስሩዕ ሓይሊ ኤለክትሪክን ቀረብ ኦክስጅንን ጠንቂ ሞት ክኸውን እንከሎ፡ ምስ ካልኦት ሕፅረታት ተደሚሩ መጥባሕቲ ምክያድ ኣብ ዘይክኣለሉ ደረጃ ከምዝበፅሐ እቶም ዶካትር ገሊፆም። ኣብ ክፍሊ መጥባሕቲ ርእሲ ዝነበራ ስካነራት'ውን ዓዲ ውዒል ከምዝኾና ሓቢሮም ኣለዉ። ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ ሕፅረት ኣፋውስ ገለ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ከምዘቋረፁ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ገሊፁ ኔሩ። እቲ ኵናት ካብ ዝውላዕ ንነዘ፡ ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት መብራህቲ፣ ማይ፣ ስልኪ፣ መጓዓዝያን ባንክን ተቛሪፆም’ዮም። ኣብታ ኣብ ሙሉእ ዕፅዋ ትርከብ፡ ሚልየናት ዝተመዛበሉላን ብኣሽሓት ዝሞቱላን ትግራይ፡ 6.3 ሚልየን ህዝቢ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ዝተገለፀ እንትኾን፡ ሕቡራት ሃገራት ድማ 'ዕላዊ ዘይኮነ ዕፅዋ ብመንግስቲ ተኣዊጁ' ከምዘሎ ኣፍሊጡ’ዩ። ውድብ ምግቢ ዓለም ናብቶም ኣብ ትግራይ ህፁፅ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ብመዓልቲ 100 ረድኤት ዝፀዓና መኻይን ክኣትዋ ከምዝግባእ ኣፍሊጡ’ዩ። ከም ሓበሬታ ጉዳያት ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ግና፡ ዛጊድ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ቀረብ 12 ሚእታዊት ናይቲ ዘድሊ ጥራሕ እዩ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59952605"} {"headline":"ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢ 23 ሰዓታት ጥራይ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ካናዳ ዝተዋጽኣሉ ዮናስ ጸጋይ","content":"ንሓንቲ ናይ ሕክምናን ስእነትን ጸገማት ዘጋጠማ ኤርትራዊት ስድራቤት ንምድጋፍ ብመንገዲ 'ጎ ፈንድ ሚ' (GoFundMe) ኣብ ዝተኻየደ ጎስጓስ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ጥራይ ብድምር ልዕሊ 700,000 ዶላር ካናዳ ተዋጺኡ። ዛጊት ልዕሊ 12 ሽሕ ሰባት ካብ 10 ዶላር ክሳብ 1200 ዶላር ኣበርኪቶም ኣለዉ። ኣብ ሓደ፡ ፈለማ ብ\"Oreta Ararib\" ዝብል ስም ዝተበገሰ ማዕከን ጥራይ፡ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 685,000 ዶላር ኣካናዳ ተወፊዩ ኣሎ። እቲ ስም ሕቶታት ስለዘለዓዓለ ጸኒሑ እቲ ስም ናብ መብራህቱ ሕድራይ ተቐይሩ ይርከብ። ንተመሳሳሊ ዕላማ ብኻልእ ተስፉ ኪዳነ ዝተባህለ ሰብ ኣብ ዝተኸፍተ ካልእ ማዕከን ድማ፡ £7,443 ፖውንድ ዓዲ-እንግሊዝ ተዋጺኡ'ሎ። ከምኡ'ውን ብኣኽበረት መሓሪ ዝተባህለት ሰብ ኣብ ኣውሮጳ ዝተኸፍተ ማዕከን'ውን ብግዲኡ ልዕሊ 4000 ዩሮ ኣዋህሊሉ ኣሎ። ብመንገዲ እዞም ማዕከናት ከበርክቱ ዘይክኣሉ'ውን ብቐጥታ ብሰባት የወፍዩ ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም። ብሰንበት 16 ጥሪ ኣብ ሄንፓስ ኢንተርተይመንት [HENPAS ENTERTAINMENT] ዝተብሃለ ናይ ዩትዩብ ቻነል ዝተዘርገሐ ዛንታ ሓደ ብሕማም ናይ ደም መንሽሮ ዝሳቐ ዘሎ ኤርትራዊ ኣቦ ሽዱሽተ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ናብ ህዝቢ ምስ ተዘርገሐ ብዙሓት ሰባት ክቀባበልሉ ተራእዮም። ብዙሕ ሰብ እቲ ተቐማጢ ኣብ ዙባ ደቡብ: ንኡስ ዞባ ድባርዋ ዝርከብ ዓዲ-ገዳ ዝኾነ ኣቶ ዮናስ ጸጋይ ክሕገዝ ከምዘለዎ ኣብ መውሃቢ ርእይቶን ኣብ ፌስ ቡክን ርእይቶታቱ ክጽሕፍ ምስ ጀመረ ኸኣ፡ ብሽሙ ናይ 'ጎ ፉንድ ሚ' ብሓደ ተቐማጢ ካናዳ ኦሮታ ኣራርብ ዝብል ስም ተኸፊቱ፡ ኣብ ውሑድ ሰዓታት ኣሽሓት ሰልዲ ክእከብ ክኢሉ። ኣብዚ ማዕከን እዚ ጥራይ ኣብ ውሽጢ 23 ሰዓታት ልዕሊ 503 ሽሕ ዶላር ካናዳ ክዋጻእ ክኢሉ። ነዚ ምውጻእ ናይ ገንዘብ ብዕቱብ ካብ ዝጉስጉሱ ዘለዉ ሓደ ዝኾነ ተቐማጢ ሃገረ ሽወደን መምህር ዩሴፍ ወርቀ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል \"ዮናስ እናተጻዓረ ዝሃቦ ቃለ መሕትት ንስምዒት ብዙሓት ሰባት ዝተንከፈ'የ ነይሩ\" ኢሉ። ብምስዓብ \"ዮናስ ኣብ ዘረብኡ ንሱ ሓደን ወዲ ስዉእን ምዃኑን ብምግላጽ 'መንዶ ኣለኒ'ዩ መን'ዩ'ሞ ክሕግዘኒ' ዝብል ሕቶ እዩ ዘልዕል።\" እታ ጎ ፋንድ ሚ ምስ ተኸፈተት ኣብ ውሽጢ ቀዳሞት 12 ሰዓታት ልዕሊ 350 ሽሕ ዶላር ካናዳ ተዋጺኡ። እቲ ምውጻእ ብዘይካ እዚ፡ ብውልቅን ብጉጅለን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት'ውን ይዋጻእ ምህላዉ'ዩ መምህር ዩሴፍ ወርቀ ዝገልጽ። \"ብዘይካ እቲ ብውልቅን ብማሕበርን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኮይኑ ሰብ ዘዋጽኦ ዘሎ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ'ውን ብማሕበር ቤት ክርስትያን ኤርትራ ብሽም ዮናስ ጸጋይ ማዕከን ጎ ፋንድ ሚ ኣውጽኦም። ንምሕጋዙ ይሰርሑ ኣለዉ።\" 'ሆድኪን ሊፎማ' ምስ ጻዓዱ ናይ ደም ዋህዮታት ዝተሓሓዝ ክሓዊ ዝኽእል ዘይንቡር ሕማም መንሽሮ ኮይኑ፡ ኣብ ክሳድን ቱሽቱሽን ዝረአ ሕበጥ ካብ ቀንዲ ምልክታቱ ምዃኖም መርበብ ሓበሬታ ኣገልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ ይገልጽ። መጠንቀቕታ፡ እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ብዛዕባ ኩነታት ናይቲ ብሕማም መንሽሮ ደም ዝሳቐ ዘሎ ውልቀሰብ ዝገልጽ ቪድዯ ንገለ ተዓዘብቲ ክርብሽ ይኽእል'ዩ። መምህር ዩሴፍ ብዙሕ ግዜ ኣብ ተመሳሳሊ ናይ ምሕጋዝ ንጥፈታት ክሳተፍ ምጽንሑ ብምግላጽ፡ ከምዚ ናይ ዩናስ ጸጋይ ቅልጡፍ ግብረ መልሲ ዝተውሃቦ ርእዩ ከምዘይፈልጥ'ዩ ንቢቢሲ ገሊጹ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ጎ ፋንድ ሚ'ውን ጉዳይ ናይ ዩናስ ጸጋይ ካብቶም ቅልጡፍ ገንዘብ ዝተኣኻኸበሎም ዘሎ ብምዃን ኣብ ቅድሚት ተሰሪዑ ኣሎ። ጎ ፋንድ ሚ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ትካል ኮይኑ፡ ሰባት ንጽንብላት፡ ብሓደጋ ንዝተጎድኡ፡ ንዝሓመሙን ካልኦትን ንምሕጋዝ ገንዘብ ዘዋህልሉ ማዕከን እዩ። እቲ ትካል ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ካብ 2010 ክሳብ 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ ካብ 120 ሚልዮን ለገስቲ ሰባት ልዕሊ 9 ቢልዮን ዶላር ካብ ለገስቲ ናብ ተሓገዝቲ ከምዘብጸሐ ይገልጽ። መምህር ዩሴፍ ኣብ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ተመክሮ ምርኩስ ብምግባር \"እቲ ሰልዲ ብመንገዲ ጎ ፋንድ ሚ ምስ ተዋህሊለ፡ ነቲ ትካል ናብ ከምዚ ሕሳብ ወይ ናብ ከምዚ ሕክምና ኣሰጋግረልና ትብሎ፡ እቲ ትካል ኸኣ እቲ ዝግብኦ 'ኮምሽን' ወሲዱ ነቲ መስርሕ ምስግጋር ናይ ሰልዲ ይፍጽሞ\" ይብል። እዚ ኣብ ግንቦት 2010 ብብራድ ዳምፕሃውስን ኣንድሬው ባላስተርን ዝተመስረት ትካል ኣብ መጀመርታ 2017 ካብ ዓለም ዝዓብየ ናይ ወፈያ ገንዝብ ዝእከበሉ መርበብ ክኸውእ ምብቅዑ ይግለጽ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60027853"} {"headline":"ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከቢድ ቅልውላው ቀረብ መድሃኒት ምህላው ኣፍሊጡ","content":"ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰንኪ ሕጽረት መድሓኒት ረድኤት ሕክምና ምሃብ ጠጠው ዝብለሉ ብርኪ ተበጺሑ ከምዘሎ ኣጠንቂቑ። ብሰንኪ እቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዘቑጸረ ኲናት ትግራይ ዘስዓቦ ሕጽረት መድሓኒት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ረድኤት ሕክምና ምግባር ናብ ዘይከኣለሉ ብርኪ ከምዝተበጽሐ ዝገለጸ እቲ ማሕበር፡ ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ሰባት ብህይወት ናይ ምንባር ዕድሎም \"ይምህምን ኣሎ\" ኢሉ። ነቶም ኣዝዮም ንሕማም ዝተቓልዑ ኣብ ምርዳእ ኣትኲሩ ይሰርሕ ከምዘሎ ዝገለጸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ብሰንኪ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ዘይምርግጋዕን፡ መድሓኒት ኮነ ሰብኣዊ ረድኤት ክሓልፍ ስለዘይተኽኣለ፡ \"ሰራሕተኛታቱ ረድኤት ክህብሉ ናብ ዘይክእልሉ ዓቕሚ ወሪዶም\" ክብል ሓቢሩ። ኣተሓባባሪ ንጥፈታት ጥዕና ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ኣፖሎ ባራ፡ \"ኣብ ትግራይ ንሓደ ግዜ ጥራይ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ ከም በዓል ጓንትን መሳርሒ መጥባሕትን ሓጺብካ ደጋጊምካ ኣብ ጥቕሚ ይውዕሉ ኣለዉ፤ እዚ ድማ ንተመሓላለፍቲ ሕማማት ሓደገኛ እዩ\" ዝበለት ኮይና፡ ኣብ ገለ እዋን ሓካይም ጨው ከም መሕጸቢ ቍስሊ ዝጥቀምሉ ኩነታት ከምዘሎ ገሊጻ። \"ሕሙማት መዓልቱ ዝሓለፎ መድሓኒት ይወስዱ ኣለዉ። ናይ ኦክሲጅን መተንፈሲ መሳርሕታት ዳርጋ የለን። ኣብ ገለ ከባቢታት ድማ ማእከላት ሕክምና እቲ መሰረታዊ ክታበት ምሃብ ጠጠው ኣቢለን ኣለዋ\" ኢላ። ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ንጥፈታት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ዝከታተል ሚቻ ዊዲኪንድ ብወገኑ፡ \"ኣብ ክልል ኣምሓራ ድማ ገለ ሆስፒታላት ብሰንኪ ሕጽረት መድሃኒት ተዓጽየን ኣለዋ\" ኢሉ። ኣብ'ቲ ክልል፡ ነፈሰ ጹራት ኣብ ገዘእን ዝሓርሳሉ ኩነታት ከምዘሎ፡ ሕዱር ሕማም ዝነበሮም በብመዓልቱ ሕይወቶም ይስእኑ ከምዘለዉ'ውን ወሲኹ ተዛሪቡ። ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ትካሉ ካብ ዝሓለፈ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ሕክምናዊ ቀረባት ናብ ትግራይ ንምብፃሕ ብተደጋጋሚ’ኳ እንተሓተተ፡ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓድ ከምዘይተውሃቦ፡ ብመገዲ ትዊተር ገሊፁ ምንባሩ ይዝከር። ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ: ሰብሞያ ሕክምና፡ ኣብ ትግራይ፡ ሰኣን ቀረብ ኣፋውስ ህፃናት ዝርከብዎም ተሓከምቲ ይሞቱ ከምዘለዉ ንቢቢሲን ተዛሪቦም ነይሮም። ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት፡ ሓይልታት ፌደራልን መሻርኽቶምን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዘንበርዎ ዕፅዋ: ኣፋውስን መሳርሕታት ሕክምናን ክበፅሖም ከምዘይከኣለ እቶም ዶካትር ገሊፆም። ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሚኒስተር ኮሚኒኬሽን ለገሰ ቱሉ ግና ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንበሮ ዕግታ የለን ኢሉ። \"ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ትግራይ ዘጋጠም ዘሎ ምሉእ ብምሉእ ሓላፍነት ናይ ህወሓት'ዩ\" ከምዝበለ ድማ ሮይተርስ ምፅብፃቡ ይዝከር። ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ተመዛበልቲን ስደተኛታትን ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ሰባት ዝቐተለ ደብዳብ ነፈርቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ትካላት ረድኤት ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝህብዎ ዝነበሩ ኣግልግሎት ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘቋረፁ ምግላፆም ዝዝከር እዩ:: መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቶም መጥቃዕታት ኣመልኪቱ ዝሃቦ ምላሽ እኳ እንተዘየለ፡ ኣብ ዝሓለፈ ንዒላማታት ሓይልታት ትግራይ ዘነጻጸረ መጥቃዕትታት ክገብር ከምዝጸንሐ ክገልጽ ጸኒሑ'ዩ። እቲ ካብ ዝውላዕ 14 ኣወርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ቅትለትን ጥምየትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ይርከብ። ነቲ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንምንዳይ፡ ዝተፈላለዩ ወገናት ጻዕርታት ከካይዱ ምንሖም ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ ዛጊድ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ኣይተኻእለን ዘሎ። ሕዚ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት፡ ብፍላይ መዋስንቲ ክልላት ኣምሓራ: ትግራይን ዓፈርን ውግኣት ይካየድ ምህላዉ ይንገር። ብሰንኪ ምቁራጽ መስመራት መራኸቢታት ናይቲ ከባቢ፡ እቲ ኩነታት ብናጻ ኣካል ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኮይኑ ይርከብ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60034843"} {"headline":"ቅልውላው ኢትዮጵያ: ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘመላልሱ ልዕሊ 70 መራሕቲ መኪና ኣብ ቀይዲ ኣትዮም","content":"ናብቲ ኲናት ዝካየድሉ ዘሎ ከባቢታት ሰሜን ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ከጓዓዕዙ ውዕል ዝገበሩ 72 መራሕቲ መኪና ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ፡፡ እቶም ምስ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዝሰርሑ ዝነበሩ መራሕቲ መኪና ኣብ ርእሰ ከተማ ዓፋር ዝኾነት ሰመራ ከምዝተኣሰሩ እቲ ውድብ ገሊጹ፡፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቶም መራሕቲ መኪና ንምንታይ ደው ክብሉ ከምዝተገበረ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ይሓትት ኣሎ፡፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘስዓበ ኮይኑ ልዕሊ 5 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኾኑ ገይሩ እዩ፡፡ ሰመራ፡ መራሕቲ እተን ሓገዝ ዝጸዓና ከበድቲ መካይን ናብታ ኣስታት 400 ሽሕ ሰባት ኣብ ጫፍ ዓጸቦ ዝርከቡላ ትግራይ እንትጓዓዙ ዘዕርፉላ ከተማ እያ፡፡ ብኣማኢት ዝቑጸራ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ካብታ እንኮ ምስ ትግራይ ዘራኽብ መንገዲ ዘለዋ ከተማ ከይሓልፋ ተኸልኪለን ከምዘለዋ እዩ ዝግለጽ፡፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ማእሰርቲ እቶም መራሕቲ መኪና ዛጊድ ዝሃቦ መግለጺ የለን፡፡ ሕቡራት ሃገራት 16 ሰራሕተኛታቱን ቤተሰቦምን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተገፊፎም ከምዝተኣሰሩ ትማሊ ገሊጹ ነይሩ፡፡ ካልኦት ሽዱሽተ ድማ ተፈቲሖም ኣለዉ፡፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም እሱራት ቀልጢፉ ክፈትሖም እቲ ውድብ ጸዊዑ ኣሎ፡፡ ጠበቓታትን ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን፡ ሰብመዚ መንግስቲ፡ ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ሰራሕተኛታት መሰረት ዝገበረ ማእሰርቲ ይፍጽሙ ከምዘለዉ ይገልጹ፡፡ መንግስቲ ግና ንተወለድቲ ትግራይ ብኣልማማ ከምዘይኣሰረ ይምጉት፡፡ ኣንጻር መንግስቲ ትግራይ ዝቃለሱ ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይግስግሱ ኣለዉ፡፡ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዝተባህለ ካልእ ዕጡቕ ተቓዋሚ እውን ኣብ ጎኖም ተሰሊፉ ይርከብ፡፡ ብኣንጻሩ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ዜጋታት ናይ ውልቀኦም መሳርሒ ኲናት ከመዝግቡን ከባቢኦም ክከላኸሉን ብምጽዋዕ ኣብታ ሃገር ን6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ኣሎ፡፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ብምኽንያት ‘‘ኣዝዩ ተለዋዋጢ’’ ኩነታት ጸጥታ ዜጋታት ኣመሪካ ብቕልጡፍ ካብታ ሃገር ክወጹ ጸዊዑ፡፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ቴሌኮም ተዋፊሩ ዝርከብ ኬንያዊ ዓርሞሸሽ ትካል ሳፋሪኮም፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘይምርግጋእ ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታቱ ካብታ ሃገር ክወጹ ከምዝገበረን ኢትዮጵያውን ሰራሕተኛታቱ እውን ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክዓዩ ከምዝኣዘዘ ንቢቢሲ ገሊጹ፡፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዝምዕብል ዘሎ ፖለቲካውን ጸጥታውን ኩነታት ንወፍሪ እቲ ትካል ኣብ ሓደጋ ከምዘውደቖ ዝሓበረ ሳፋሪኮም: ቀጻሊ ውሳነታት ንግዲ እቲ ትካል በቶም ስዒቦም ዝፍጠሩ ኩነታት ከምዝውሰን ሓቢሩ፡፡ ሳፋሪኮም ዝሓዘ ጥምረት ትካላት ቴሌኮም ኣስታት 2 ቢልዮን ዶላር ኣብ ኢትዮጵያ ንምውፋር ዝተለመ ኮይኑ፡ ኣብ ናይ መጀመርታ ሓሙሽተ ዓመታት ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰራሕተኛታት ክቖጽር ትልሚ ሒዙ ነይሩ፡፡ ኣብቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝፍጸሙ ዘለዉ ጫካነ ዝተመለኦም ተግባራት ዘመላኽቱ ጸብጻባት ጾታዊ ጎነጻት እውን ብትካላት ሰብኣዊ መሰል ኣቢሎም ይወጹ ኣለዉ፡፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ከባቢታት ምስተቖጻጸሩ ጾታዊ ዓመጽን ዘረፋን ፈጺሞም ክብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ከሲሱ፡፡ ኣምነስቲ ቅድም ክብል እውን ሰራዊት መንግስቲ፣ ሓገዝቶም ዝነበሩ ካልኦት ወታሃደራትን ሚልሻታትን ኣብ ትግራይ ሰፊሕ ጾታዊ ዓመጽን ምድፋርን ከምዝፈጸሙ ገሊጹ ነይሩ፡፡ ብተመሳሳሊ ሁማን ራይትስ ዎች፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ጾታዊ ዓመጽ ዝበጸሐን ደቂ ኣንስትዮ ሓገዝ ከይረኽባ ይገብርን ማእካላት ጥዕና ቀረብ ከይረኽባ ይኽልክልን ኣሎ ክብል ከሲሱ፡፡ ልዕሊ 100 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ፋና ምርግጋእ ተገይራ እትውሰድ ዝነበረት ሃገር ኮይና፡ ማእከል ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ዓለምለኻዊ ትካላት እያ፡፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኲናት ደው ክብል ዝጸወዐ ኮይኑ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቶም ኣብ ጎንጺ ዝተጸመዱ ወገናት ንምሽምጋል ዝገብሮ ጻዕሪ ክምዝሕግዝ ኣፍሊጡ፡፡","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59239657"} {"headline":"ትማሊ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝተላዕሉ ቀንዲ ጉዳያት","content":"እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ክልል ትግራይ ዝጀመረ ኲናት ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምልሓሙ ዓብዪ ሻቕሎትን ሰብኣዊ ቅለውላውን ፈጢሩ ኣሎ። እዚ ዝኸፍአ ቅልውላው ከየስዕብ ተሰጊኡ ዘሎ ምዕባለ ጠጠው ንክብልን ፖለቲካዊ ፍታሕ ንክመጽእን ጸቕጢ ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን፡ ትማሊ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንምዝታይ ንመበል 12 ግዜ ክእከብ እንከሎ ሕብረት ኣፍሪቃ ንዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ድጋፍ ከም ዝገብር ገሊጹ። ፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት ኦሎሰንጎን ኦባሳንጆ ምስ ሰብ መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ዝጀመሮ ዝርርብ ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ነቲ ባይቶ ገሊጹ። ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ኣኼባ ድማ፡ ወከልቲ ኣባል ሃገራት እቲ ውድብ ነቲ ሕብረት ካብ ዘርኣይኦ ድጋፍ ብተወሳኺ፡ ሰብ መዚ ኢትዮጵያን መራሕቲ ሓይልታት ትግራይን ምቁራጽ ተጻብኦ ክገብሩ፣ ዘይተገደበ ምብጻሕ ሰብኣዊ ረድኤት ክህሉ ከፍቅዱን እታ ሃገር ንምድሓን ፖለቲካዊ መፍትሒ ክገብሩን ሓቲቶም። ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኦሊሰንጎን ኦባሳንጆ \"ዘለና ዕድል ጸቢብ ስለ ዝኾነ፡ ሓጺር ግዜ'ዩ ዘለና\" ክብል ተዛሪቡ። እቲ ፍሉይ ልኡኽ ምስ መራሕቲ ትግራይን ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ፌደራልን ዝተዘራረበ ኮይኑ፡ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ምክልኻልን ሓይልታት ትግራይን ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ጠጠው ክብል፣ እቲ ወጥሪ ንምህዳእን ናብ ዘተ ክመጽኡን ከምኡ'ውን ሰላማዊ ፍታሕ ንምሃብ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዘትዩ'ዩ። ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ድማ ናብ መቐለ ብምኻድ ምስ መራሕቲ ትግራይ ተራኺቡ። ምስ ክልቲኦም ወገናት ዘካየዶ ዘተ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ \"ኩሎም መራሕቲ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ከም ዘለዎም ስለ ዝግንዘቡ ምስዚ ብዝተሓሓዝ ፖለቲካዊ መፍትሒ ንምሃብ ዘተ ኣድላዪ'ዩ\" ኢሉ። ወኪል እቲ ሸሞንተ ሃገራት ቐርኒ ኣፍሪቃ ዝሓቖፈ ዞባ ኦባሳንጆ፡ ኣብቲ ዞባ ሰላም፣ ርግኣትን ፖለቲካዊ ልዝብን ንምክያድ ዝተወስዱ ስጉምታትን ድጋፍ መራሕቲ ዓለም ንምርካብን ጻዕሪ ከም ዝገበረ ነቲ ባይቶ ኣረዲኡ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ብዘይቕድመ ኩነት ፖለቲካዊ ዘተ ንክገብሩን ብቕልጡፍ ተጻብኦታት ጠጠው ከብሉን እቲ ቤት ምኽሪ ጸቕጢ ክገብር ኣተሓሳሲቡ። ብተወሳኺ፡ በቲ ኲናት ንዝተሃሰዩ ሰባት ሰብኣዊ ረድኤት ንክበጽሕን ንኹሉ ዘሳትፉ ዝርርባት ብምክያድ ሃገራዊ ዕርቂ ንክጅመር ክጽውዕ ሓቲቱ። ኢትዮጵያ ወኪል ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ታዬ ኣጽቀስላሴ፡ መንግስቱ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት \"ህወሓት ዝፈነዎ መጥቃዕትን ወተሃደራዊ ሓደጋን\" ከም ዝተኸላኸለ ገሊጹ። ኣብ ክሊ እዚ፡ መንግስቲ ኣብ ትግራይ መግብን ካልኦት ኣገደስቲ ቐረባት ሰብኣዊ ረድኤትን ንዘድልዮም ሰባት ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር ከቕርብ ጸኒሑ'ዩ ኢሉ። ኣብቲ ክልል ዳግመ ህንጸት ንምስላጥ ድማ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ከም ዝገበረን ክሳብ ሕጂ 100 ቢልዮን ብር ወጻኢ ከም ዝገበረን፣ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ድማ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ከም ዝገበረ ነቲ ባይቶ ኣረዲኡ። \"እዚ ኹሉ ግን ከንቱ ተሪፉ፤ ብምኽንያት እዚ ገበነኛ ጉጅለ ህዝቢ ትግራይ ዘድልዮ ረድኤት ክበጽሖ ኣይክኣለን\" ኢሉ። ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝነብሩ ሰባት ድማ ተቐቲሎም ክብል ተዛሪቡ። እቲ ኣምባሳደር ኣብዚ ሕጂ እዋን \"ፖለቲካዊ ዘተ ንምጅማር ዝግበሩ ጻዕርታት ነኽብር ኢና\" ክብል እንከሎ፡ መራኸብቲ ሓፋሽ ምዕራባውያንን ገለ ሰራሕተኛታት ዓለምለኻዊ ትካላትን ግን ንኣመራርሓ ህወሓት ዘለዎም ድጋፍ ብግልጺ ኣርእዮም'ዮም ክብል ከሲሱ። ብኻልእ ወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ተጠቒሙ ዝብሉ ናይ ሓሶት ጸብጻባት ክወጽኡ ጸኒሖም'ዮም ኢሉ። ሃገሩ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝጀመሮ ሓሳብ ሃገራዊ ዘተ ንምቅባል ዘለዋ ድልውነት'ውን ኣረዲኡ። ናብ ዘተን ፖለቲካዊ ፍታሕን ንምምጻእ ዝግበር ጻዕሪ ቀጥ ዝበለ ወይ ቀሊል መገዲ ኣይኸውን ዝበለ ኣምባሳደር ታዬ \"በዚ ምኽንያት ሕጂ መንግስቲ እዚ ገበነኛ ጉጅለ ጠጠው ኣብ ምባል ትኹረት ገይሩ ኣሎ\" ኢሉ። ቻይና ወኪል ቻይና ኣብቲ ውድብ ዣንግ ጁን፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት ውጽኢት ፖለቲካዊ፣ ታሪኻዊ፣ ናይ ብሄርን ካልኦት ምኽንያታትን ዘለዎ ምዃኑ ብምግላጽ እቲ ፍታሕ ኣብ ውሽጢ ሃገር ጥራይ'ዩ ክመጽእ ዝኽእል ኢሉ። ነዚ፡ ሃገሩ ሃገራት ኣፍሪቃትን ትካላትን ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምምጻእ ተራ ኣለወን ኢላ ከም እትኣምን ሓቢሩ። ጸገማት ኣፍሪቃ ንምፍታሕ ኣፍሪቃዊ ፍታሕ ንምርካብ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ድጋፍ ከም ዝገብር ብምግላጽ ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ድማ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ንዝገብሮ ጻዕሪ ኣድላዪ ግዜን ቦታን ብምሃብ ክሕግዝ ከም ዘለዎ ተዛሪቡ። ብፍላይ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ዝገብርኦ እገዳ ዝምልከት ርኢይቶ ዝሃበ እቲ ወኪል፡ ኣብ ንግዲ እገዳ ምግባርን ረድኤት ምቁራጽን ኣብቲ ዝድለ ዘሎ ፖለቲካዊ መፍትሒ ኢድ ምእታው ከም ዝኾነ ገሊጹ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣባል ሃገራት እቲ ውድብ ሉእላውነት እታ ሃገር ብምኽባር ኢትዮጵያ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ንክተመሓይሽ ዝወሃብ ሓገዝ ክውስኽ ይግባእ ኢሉ። ብሪጣንያ ወኪል ብሪጣንያ ጄምስ ካሪዩኪ፡ ኣብ ቀረባ መንግስቲ ዝኣወጆ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ከም ምኽንያት ተጠቒሙ ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኻዊ ሕግታትን ዕሽሽ ክብሎም የብሉን ክብል ኣተጠቂቑ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እቲ ሕብረትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብሓባር ዘካየዱዎ መርመራ ሒዙዎ ኣብ ዝወጽአ ጸብጻብ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም መሳርሒ ኲናት ከም ዝውዓለ፣ ምንግልታዕን ስቅያትን፣ ምፍንቓል ሰላማውያን ሰባት ሓዊሱ ብዙሓት ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብምልዓል እቲ ጸብጻብ ዘካተቶም መፍትሒ ሓሳባት ተግባራዊ ክኾኑ ኣለዎም ኢሉ። ኩሎም ወገናት ኲናት ጠጠው ብምባል ዝርርብ ክጅምሩ ድማ ሓቲቱ። ብተወሳኺ ሓይልታት ትግራይ ንቕድሚት ዝገብሩዎ ዘለው ግስጋሰ ጠጠው ኣቢሎም ክምለሱ፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘሎ ዕግታ ክልዓልን ብሄር መሰረት ዝገበሩ ኣፈላላያትን ተረኻት ጽልእን ክግትኡን ኣተሓሳሲቡ። አሜሪካ ወኪል ኣመሪካ ኣምባሳደር ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ፡ ክልቲኦም ተቐናቐንቲ ወገናት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝጀመሮ ምትሕብባር ዝሓዙዎ መርገጺ ደጊፋ። ኣብዚ ሓደ ዓመት ዘቑጸረ ኲናት \"ነዊሕ ግዜ ስቕ ኢልና ጸኒሕና ኢና\" ክትብል እንከላ፡ ብምኽንያት እቲ ኲናት ጾታዊ ዓመጽ ከም መሳርሒ ኲናት ምጥቃም ዝርከቦም ከበድቲ ገበናት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝተፈጸሙ ጠቒሳ። \"ኩሎም ሓይልታት ኣጥፊኦም'ዮም፤ ዘየጥፍአ የለን\" ኢላ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሻራዊ እዩ ዝብል ዝቐርብ ዘሎ ክሲ ግቡእ ከም ዘይኮነ ብምግላጽ፡ ብዝኾነ ኣካል ዝፍጸም ዝኾነ ዓይነት መጥቃዕትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ከም እትቃወም ተዛሪባ። ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ይደፍኡ ከም ዘለውን ሕጂ ካብ ዝሓዙዎም ቦታታት ወጺኦም ናብ ትግራይ ክምለሱን ድማ ኣተሓሳሲባ። ብተወሳኺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓለምለኻዊ ሕግታት ኲናትን ሰብኣዊ መሰላትን ከኽብር ሓቲታ። ባይቶ ጸጥታ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ፖለቲካን ህንጸት ሰላምን እቲ ቤት ምኽሪ ሮዝሜሪ ዲካርሎ ብወገና፡ \"ልዕሊ 110 ሚልዮ ህዝቢ፣ ልዕሊ 90 ብሄር ብሄረሰባትን 80 ቋንቋታትን ኣብ ዘለዋ ሃገር ኲናትን ዘይምርግጋእን እንታይ ከስዕብ ከም ዝኽእል ምትንባይ ኣይክኣልን\" ብምባል ሓደጋ እቲ ኲናት ዘስግእ ምዃኑ ሓቢራ። ኢትዮጵያ ናብ ዝኸፍአ ኲናት ሓድሕድ ትኣትወሉ ዕድል ግሁድ እናኾነ ይመጽእ ምህላው'ውን ተዛሪባ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኣብ ትግራይ ዘካየዱዎ መርመራ ኣመልኪቱ ዝወጽአ ጸብጻብ ብምጥቃስ ድማ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዘስካሕክሕ ስቓይ ተፈጺሙ'ዩ ኢላ። ብኻልእ ወገን እቲ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ዝተኻየደ ሃገራዊ መረጻ ብምልዓል ድማ ህዝቢ ንዴሞክራሲ ዘለዎ መርገጺ ኣርእዩ'ዩ ብምባል፡ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብታ ሃገር ዝፍጠሩ ዘለው ጸገማት ንምፍታሕን ሃገራዊ ዘተ ንምጅማር ድልየት ከም ዘለዎን ሓቢራ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59218190"} {"headline":"ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዝግስግሱ ይገልጹ ኣለዉ","content":"ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተነበረ ዕጽዋ ክሳብ ዝለዓል ሓይልታት ትግራይ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝገብርዎ ግስጋሰ ከምዝቕጽሉ ወሃቢ ቃል ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊጹ። ኣቶ ጌታቸው ምስ ቢቢሲ 'ፎከስ ኦን ኣፍሪቃ' ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት፡ ንመገዲ ሰላም ኢትዮጵያ ዓጽዩ ዘሎ ''ንፖለቲካዊ ጸገም ብወተሃራዊ ሓይሊ ክፈትሖ እየ ዝብል ድልየት ዘለዎ'' ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ እዩ ክብል ወቒሱ። ኣንጻር ሓይልታት መንግስትን መላፍንቶምን ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዝግስግሱ ዘለዉ ኮይኖም፡ መንግስቲ ብወገኑ ህዝቢ ክዕጠቕን ከባቢኡ ክሕሉን ይጽውዕ ኣሎ። ኣብዚ እዋን ሓይልታት ትግራይ ኣዲስ ኣበባ ንምቁጽጻር ይደፍኡ ከም ዘለው ክገልጹ እንከለው፡ መንግስቲ ፌደራል ብወገኑ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ነበርን ዓቕሚ ዘለዎም ዜጋታትን ናብቲ ሰራዊት ምክልኻል ክጽንበሩ ይጽውዕ ኣሎ። መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ኣመሪካን እቲ ጎንጺ ጠጠው ክብልን ኣፈላላያት ብዘተ ክፍትሑን ጻውዒት ከቕርቡ እኳ እንተጸንሑ ክሳብ ሕጂ ግን ፍረ ኣየፍረየን። ግስጋሰ ሓይልታት ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ''ናይ ኣዲስ ኣበባ ድልየት ስለዘለና ዘይኮነስ ነቲ [ብኣብዪ ኣሕመድ] ኣብ ልዕሊ ህዝብና ተነቢሩ ዘሎ ዕጽዋ ኢዱ ጠዊና ንምልዓል እዩ'' ክብል ጌታቸው ዕላማ ናይቲ ዝቕጽልዎ ዘለዉ መጥቃዕትታት ኣብሪሁ። ብተወሳኺ ''ኣብዪ ነቶም ዘቕረብናዮም ጠለባት ሕራይ ክብል ንምግባርን ነቲ ጎንጺ ዕልባት ንምሃብን እዩ'' ኢሉ፡፡ ነቶም ተጻባእቲ ወገናት ንምሽምጋል ዝተመዘዘ ልኡኽ ሕብረት ኣንፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሴጎን ኦባሳንጆ፡ ምስ ኣቦ መንበር ህወሓት ዶ\/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዕዉት ዘተ ከምዘካየዱን እውን እቲ ወሃቢ ቃል ተዛሪቡ፡፡ ኦባሳንጆ፡ ሎሚ ሰሉስ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብምኻድ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ እተን ክልላት ኣብ ጉዳይ እቲ ናይ ሰላም ጻዕሪ ክዝቲ'ዩ። እቲ ብኹሎም ተጻረርቲ ወገናት ተቐባልነት ከምዝረኸበ ዝገልጽ ናይጀርያዊ መራሒ፡ ትማሊ ነቲ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረቦ መብርሂ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ \"ዘለና ግዜ ሓጺር\" እዩ ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ። ኣብቲ ዘቕረቦ ጸብጻብ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ጎንጺ ኣብ ዝሓጸረ እዋን እንተዘይተፈቲሑ 'ከበድቲ ሰብኣዊ ሳዕቤናት' ከምጽእ ምዃኑ ሓቢሩ። ኣመሪካን ሕብረት ኣፍሪቃን ቅልውላው ኢትዮጵያ ንምፍታሕ ዘሎ ዕድል ጸቢብ ምዃኑ ገሊጾም። ፍሉይ ልኡክ ኣመሪካ ጄፍሪ ፌልትማን ምስ ሰብ መዚ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምዝርራብ ተመሊሱ ሎሚ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ። ንሱ ምስ ሰብ መዚ መንግስቲ ፌደራልን ክልላዊ ሓለፍትን ንምዝርራብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ገይሩ ምንባሩ ይፍለጥ። ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር 2020 ክጅምር እንከሎ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ እዚ ዓመት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከም ዝልሓመ ይፍለጥ። ብሰንኪ እዚ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኣስታት ሸውዓተ ሚሊየን ህዝቢ ሰለስቲአን ክልላት ንህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ተቓዒሉ ከም ዝርከብ ጸብጻባት ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ። ኣብ ትግራይ ጥራይ፡ ኣስታት 400 ሽሕ ሰባት ኣብ ኣፍ ዓጸቦ ዝርከቡ ኮይኖም፡ ቑጽሮም ዘይተፈልጠ ኣማኢት ኣሽሓት ሞይቶም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት። ኩሎም ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ተጻብኦታት ጠጠው ከብሉን ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ዘኽእል መገዲ ብዘይተገደበ መልክዑ ክኸፍቱን ጻውዒት ይቐርበሎም ኣሎ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59218189"} {"headline":"ሓይልታት ትግራይ ኣብቶም ሒዞሞም ዝነበሩ ከባብታት ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ኣውሪዶም'-መንግስቲ","content":"ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ኣብ ዝነበርሉ ግዘ “ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ጉድኣት ኣብፂሖም” ክትብል ኣፈኛ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ቢልለኔ ስዩም ተዛሪባ። እታ ኣፈኛ ሎሚመዓልቲ ኣብ ዝሃበቶ መግለፂ፡ ኣብ ከባብታት መዘዞ፣ ካሳጊታ፣ ደብረሲና፣ ሸዋ ሮቢት፣ ጋሸናን ላሊበላን ብሓይልታት ትግራይ ኣብ ንብረት ህዝብን ውልቀሰባትን በፂሖም ዝበለቶም ጉድኣታት ብተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣርእያ። እቶም ተንቀሳቐስቲ ምስልታት፡ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ፣ ባንክታት፣ ትካላት ንግድን ጥዕናን ተፈፂሙ ንዝተብሃለ ዕንወት ዘርእዩ ምዃኖም ድማ ሓቢራ። ብወገን ሓይልታት ትግራይ ኣብዚ ሓድሽ ክሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተውሃበ ምላሽ’ኳ እንተዘየለ፡ ኣብ ዝተንቀሳቐስሎም ከባብታት ኩሎም፡ ኣብ ልዕሊ ሂወት ንፁሃት ዜጋታት፣ ንብረት ውልቀን ህዝብን ዝኾነ ዓይነት መጥቃዕትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ከምዘይፍፅሙ ብምግላፅ፡ ንዝቐርቡ ክስታት ብዘይሻራዊ ኣካል ክፃረዩ’ዮም ብተደጋጋሚ ዝጠልቡ። “ኣብ ጋሸናን ሰሜን ሸዋን ኣብ ትርከብ ኣንጾኪያ ኣብ ትበሃል ከባቢ ጃምላዊ ቅትለት ከምዝተፈፀመ ፀብፃባት ኣለዉ” ዝበለት ወሃቢት ቃል ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር፡ “ፆታዊ ዓመፅ’ውን ተፈፂሞም” ክትብል ከሲሳ። እንተኾነ ብሰንኪ ምቁራፅ መስመራት መራኸቢታት ነቲ ኩነታትን ዝቐርቡ ክስታትን ብናፃ ኣካል ንምርግጋፅ ኣፀጋሚ ኮይኑ ይርከብ። ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝለሓኸ ሓደ ዓመት ዘቑፀረ ኵናት፡ ሂወት ኣሽሓት በሊዑ፣ ጠንቂ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ምምዝባል ሚልየናትን ኮይኑ፣ ሚልየናት ድማ ንጥሜት ኣቃሊዑ’ዩ። ኣብ ትግራይ ብሰንኪ እዚ ኵናት ልዕሊ 2 ነጥቢ 2 ሚልየን ህዝቢ ካብ መረበቱ ዝተመዛበለ እንትኾን፡ 5.2 ሚልዮን ህዝቢ ድማ ህፁፅ ረድኤት ከም ዘድልዮ ውድብ ምግቢ ዓለም ኣፍሊጡ’ዩ። ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዴቪድ ቢዝሊይ፡ ምግቢ ንዘድልዮም ሰባት ሓገዝ ንምቕራብ ኣብ መዓልቲ 100 መኻይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ከምዝግባእ ምግላፁ ይዝከር። ወሃቢት ቃል ቢልለኔ ስዩም ፡ እቲ ኵናት ናብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ብምልሓኹ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ቁፅሪ ዝተመዛበሉ ሰባት 1.4 ሚልየን ከምዝበፅሐ ንኮምሽን ምክልኻል ስግኣት ሓደጋ ፌደራል ብምፅራሕ ተዛሪባ። መንግስቲ ፌደራል፡ ኣብ ሰሜን ወሎ፣ ደቡብ ወሎን ሰሜን ሸዋን ንዝርከብ ክልተ ሚልየን ህዝቢ 28 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ምግቢ ከምዝመደበ’ውን ገሊፃ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብዚ ቀረባ ግዘ ሓይልታት መንግስቲ ካብ ሓይልታት ትግራይ ኣልቂቐዮም ናብ ዝበልዎም ከባብታት ጋሸናን ላሊበላን፡ ህፁፅ ረድኤት ዝፀዓና መኻይን ክንቀሳቐሳ ከምዝጀመራ ሓቢራ። ብወገን ሓይልታት ትግራይ ብዛዕባ እተን ብሓይልታት መንግስቲ ዳግማይ ተታሒዘን ዝበሃላ ከተማታት፡ እቲ ዘካየድዎ \"ናይ ቦታ ምምሕያሽ\" ዝሰፍሐ መጥቃዕትታት ንምክያድ ዝዓለመ ምዃኑ’ዮም ገሊፆም። ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዘካይድዎ ዘለዉ \"ናይ ቦታ ምምዕርራይ ቅርፂ ይሕዝ ኣሎ። እቲ ወሲድናዮ ዘለና ስጉምቲ፡ ስልታዊ፡ ስርሒታዊን ስትራተጂካውን ነገራት ኣብ ግምት ዘእተወ'ዩ\" ክብል ኣቐዲሙ ብመገዲ ትዊተር ገሊፁ ኔሩ። ኣብ ክልል ዓፋር’ውን 1.3 ሚልየን ህዝቢ ህፁፅ ሓገዝ የድልዮ እዩ ዝበለት ቢልለኔ ስዩም፡ ብሰንኪ እቲ ኵናት ኣብ ክልል ዓፋር ልዕሊ 400 ሽሕ ህዝቢ ከምዝተመዛበለን ረድኤት ንምቕራብ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ይሰርሑ ከምዘለዉን ሓቢራ። እታ ኣፈኛ፡ ናይ ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ ረድኤት ናብ መቐለ በረራ ከምዝጀመረን፡ ዛጊድ ናብ መቐለ ኣርባዕተ በረራታት ከምዝተኻየዱን፡ ከምኡ’ውን 203 ረድኤት ዝፀዓና መኻይን ናብ መቐለ ምብፅሐን ተዛሪባ። ቅድም ክብል፡ ተወካሊት ውድብ ጥዕና ዓለም ፋዱላ ቻኢብ፡ እቲ ናብ ሕድሕድ ኵናት ኣምሪሑ ዘሎ ኵናት ኣብ ዝተወልዐላ ትግራይ፡ ካብ ጥሜት ብተወሳኺ፡ ኣገልግሎት ጥዕና ኣዝዩ ውሱንን ዘሻቕልን ምዃኑ ኣፍሊጣ ኔራ። ፋዱላ ቻኢብ፡ \"ኣብ ትግራይ ዘሎ ቀረብ ኣግልግሎት ጥዕና ኣዝዩ ብዘሻቕል ኩነታት ድሩት እዩ። መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ኣይረኽቡን\" ዝበለት እታ ተወካሊት፡ ንሞት ከቃልዕ ዝኽእል ቁፅሪ ብከቢድ ሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ዘጋጠሞም ቆልዑ ይውስኽ ከምዘሎ ድማ ገሊፃ። ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ቁፅሪ ናይቶም ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዛት ዘድልዮም ሰለማውያን ሰባት 9.4 ሚልዮን ከምዝበፅሐ ኣብዚ ቅነ ኣፍሊጡ’ዩ። እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ድሕሪ ምልሓሙ ናብ ሓፈሻዊ ኲናት ሓድሕድ ተሰጋጊሩ ይርከብ። ዛጊት ብሰላማዊ ዘተ ንምፍትሑ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታትን ጻውዒታትን ፍረ ኣይሃበን።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59571046"} {"headline":"ቅልውላው ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ህጹጽ ረዲኤት ብወደባታ ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክኣቱ ከምዘይትዕንቅፍ ኣፍሊጣ","content":"ኤርትራ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ስጉምቲ ክወስድ ንዝእምት መግለጺ ሓደ ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ኮኒና። ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ርእሰ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ኣብ ዘውጽኦ መገለጺ ኣባል ኮንግረስ ብራድ ሸርማን፡ ኤርትራ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረዲኤት ከይኣቱ ወደባታ እንተዓጽያ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ንንግዳዊ ንጥፈታታ ኣብ ባሕሪ ክዕንቅፎ ከም ዝኽእል ምዝራቡ \"ዘሰንብድ'ዩ\" ክብል ተቓውምኡ ገሊጹ። ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ኢትዮጵያ ከይኣቱ ከም ዘይኣበየት'ውን እቲ መግለጺ ኣነጺሩ። እቲ ኣባል ባይቶ፡ ብዛዕባ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ፍሉይ ኮሚተ ጉዳያት ወጻኢ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ'ዩ ነቲ ርእይቶ ሂቡ። ኣብቲ ኣኼባ መብርሂ ዝሃበት ኣብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ሓላፊት ጉዳያት ኣፍሪቃ፡ ሞሊ ፊ፡ ዝምድና ኣመሪካን ኤርትራን \"ኣሉታዊ\" ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ብወደባት እታ ሃገር ናብ ትግራይ ንምብጻሕ ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ ምዃኑ ኣሚታ። ነቲ ኣብ ክፍለ ሃገር ካሊፎርንያ ዝርከብ መበል 30 ናይ ምርጫ ኣከባቢ (ዲስትሪክት) ዝውክል ኣባል ባይቶ፡ ኣመሪካ ብቐጥታ ብነፈርቲ ህጹጽ ረዲኤት ናብ ትግራይ ከተብጽሕ ትኽእል እንተኾይና'ውን ነታ ሓላፊት ጉዳያት ኣፍሪቃ ተወኪሱ ነይሩ። \"ንምዃኑ፡ እቲ ዝህብዎ መልሲ'ኳ እፈልጦ'የ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ፡ መግቢ ኣብ ወደባት ኤርትራ ከነውርድ፡ ማካይንና ብቐጥታ ናብ ትግራይ ክኸዳ ዘፍቅድ እንተኾይኑ ሓቲናዮዶ\" ክብል እቲ ኣባል ባይቶ ሓቲቱ። \"ከም'ቲ ትፈልጦ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ምስ ኤርትራ ዘለና ዝምድና ኣሉታዊ'ዩ . . .\" ብምባል እቲ ተኽእሎ ከም ዘየሎ ኣተንቢሃ። ኤምባሲ እቲ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ \"እቲ ሓቂ ንምርግጋጽ ዝኣክል፡ ኤርትራ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ኢትዮጵያ ከይኣቱ ዓጽያን ዕንቅፋት ኮይናን ኣይትፈልጥን'ያ\" ኢሉ። እቲ ኣባል ባይቶ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ምትብብዑ'ውን ነቒፉ። ክሳብ ሕጂ፡ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ትግራይ ክኣቱ ዘለዎ ሰብኣዊ ረዲኤት 11 እሚታዊት ጥራይ ከም ዝኣተወ ሓላፊት ምምሕዳር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ዶ\/ር ዳያና ፑትማን ነቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ኣባላት ባይቶ ሓቢራ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ መንግስቲ ኣመሪካ ምስቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ሰራዊትን ህግደፍን ዝርከቦም ትካላትን ሰበ ስልጣንን ኤርትራ እገዳ ምንባሩ ይዝከር። ኣብ ጎኒ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምስላፍ ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፈ ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ትግራይ ጃምላዊ ቅትለት ከም ዝፈጸመ ጸብጻባት ተሓለቕቲ መሰላት ይኸሱ። ኤርትራ ግን ነቲ ጸብጻባት ብምንጻግ፡ ዝኾነ ነቲ ተግባር ፈጺሙ ዝተረኽበ ወተሃደር ክሕተት ምዃኑ'ያ ክትምጉት ጸኒሓ። ኤርትራ፡ ብዛዕባ ፖሊሲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ተሪር ነቐፌታ ክትገልጽ ጸኒሓ'ያ። ኣመሪካ ብወገና ነቲ ነቐፌታ ከም ዘይትቕበሎ'ያ ትገልጽ። ብራድ ሸርማን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ብሄር መሰረት ዝገበረ ማእሰርቲ ዝርከቦ ምግሃስ መሰላት ይፍጽም ምህላዉ ብምጥቃስ ነቒፉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቶም ምስ ህወሓት ርክብ ኣለዎም ዝበሎም ጥራይ ዒላማ ከም ዝገብር'ዩ ዝምጉት። ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ጸብጻባት ይገልጹ። እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ድሕሪ ምልሓሙ ናብ ሓፈሻዊ ኲናት ሓድሕድ ተሰጋጊሩ ይርከብ። እቲ ግጭት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ቅትለት፡ ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ዝርከብዎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ'ሎ። ዛጊት ብሰላማዊ ዘተ ንምፍትሑ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታትን ጻውዒታትን ፍረ ኣይሃበን።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59527420"} {"headline":"ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ መቐለ ዘካየዶ ደብዳብ ነፈርቲ ሰለስተ ሰባት ቀቲሉ- ህወሓት","content":"ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ መቐለ \"ናይ ህወሓት ናይ መራኸቢታት ታወራት\" ዒላማ ዝገበረ ዕዉት መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ገሊጹ ክብል መንግስታዊ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ሓቢሩ። ኣብቲ ብሰኑይ ዝተኻየደ ደብዳብ፡ ናይ ፋናን ትካል ጸጥታ 'ኢንሳን' ዝነበሩ መደበራት ከምዘዕነወ እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ። እቲ ሓይሊ ኣየር \"ንጹሃት ዜጋጋታት ከይጉድኡ ልዑል ጥንቃቐ ከምዝገበረን፡ እዚ ድማ ብዕዉት ኩነታት ከምዝተጸመ\" ገሊጹ ክብል ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ብፈይስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ገሊጹ። እንተኾነ ግን፡ በቲ ዝተኻየደ ደብዳብ ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐትሉን ሓያሎ ከምዝቖሰሉን ሓደ ላዕለዋይ መራሒ ህወሓትን ነበርቲ እታ ከተማን ንቢቢሲ ሓቢሮም ነይሮም። እቲ ደብዳብ ኣብ ክልተ ቦታታት ከምዝተፈጸመ፡ ኣባል ማእከላይ ኮሚቲ ህወሓት ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ነቲ ደብዳብ ከምዘካየደ ሓይልታት ትግራይ ከሲሶም ነይሮም። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ መንግስቲ ኣብታ ከተማ ደብዳብ ከምዘየካየደ ገሊጹ ክብል ጸብጺቡ ነይሩ። ኣብ ክልል ትግራይ መስመራት መራኸቢታት ሕጂ'ውን ተቛሪጾም ብምህላዎም፡ ነቲ ጸብጻብ ብናጻ ኣካል ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኮይኑ ይርከብ። ፕሮፌሰር ክንደያ ከምዝበሎ፡ እቲ ቀዳማይ ደብዳብ ኣብ ከተማ መቐለ ፍሉይ ስሙ ሓሬና (መሰቦ) ከባቢ ሰዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ኣቆፃፅራ ግእዝ ከምዝተኻየደን፡ በቲ ደብዳብ ሰለስተ ሲቪላውያን ሳባት ከምዝተቐተሉን ብዙሓት ከምዝቖሰሉን ገሊፁ። እቲ ካልኣይ ደብዳብ ድማ ቀትሪ ከባቢ ሰዓት 6፡30: ዕዳጋ ዓዲ-ሓቂ (ዕዳጋ ሰኑይ) ኣብ ዝበሃል ቦታ ከምዝተፈፀመ ብዙሓት ከምዝቖሰሉን ሓቢሩ። ኣብቲ ኣብ ዕዳጋ ዓዲ-ሓቂ ዝተፈፀመ ደብዳብ ክንደይ ሰባት ከምዝሞቱ ኣይተገለፀን። እቶም ዝተጎድኡ ሰባት ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዓይደር ይሕከሙ ከምዘለዉ እቶም ጸብጻባት ሓቢሮም። ክልላዊ ተሌቬዥን ትግራይ እውን፡ በቲ ኣብ ከባቢ ሓሬና ዝተፈፀመ ደብዳብ ሰለስተ ሲቪላት ከምዝተቐተሉን ካልኦት ብዙሓት ከምዝቖሰሉን ፀብፂቡ ነይሩ። ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ታደሰ ወረደ ኣብ ክልላዊ ተሌቬዥን ትግራይ ቀሪቡ፡ እቲ ኵናት ይዛዘም ከምዘሎን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ይዕወቱ ከምዘለዉ ምግላፁ ስዒቡ እዩ። እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ይዕወት ከምዘሎ እዩ ብተደጋጋሚ ዝገልፅ። ኣብ ጉዳይ እቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተፈፀመ ደብዳብ፡ ካብ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮሌነል ጌትነት ኣዳነን፡ ሚኒስትር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብርሃም በላይን ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይሰመረን። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝለሓመ ይፍለጥ። ኣብ መወዳእታ ውርሒ ሰነ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መቐለን ሓያሎ ከባቢታትን ትግራይ ብምውጻእ \"በይናዊ ምቁራጽ ተዂሲ\" ከምዝገበረ'ኳ መንግስቲ እንተፍለጠ፡ ውግእ ግን ኣየቋረጸን። ብሰንኪ ኵናት ትግራይ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ህይወቶም ንምድሓን ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ዝተሰደዱ እንትኾኑ፡ ልዕሊ 2 ሚልዮን ሰባት ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም እዮም። ኣብታ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሙሉእ ዕፅዋ ትርከብ ትግራይ ሚልዮናት ንጥምየት ከምዝተቓልዑን፡ ሰባት ብጥምየት ይሞቱ ከምዘለዉን ይግለፅ። ሓይልታት ትግራይ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን መጥቃዕትታት ብምክያድ፡ ሓያሎ ከባቢታት ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተፈናቐሉን፡ ተጸበይቲ ረዲኤት ከምዝኾኑን'ውን ትካላት ረዲኤት ይገልጹ። ብሰንኪ'ቲ ኩነታት እኹል ረዲኤት ናብቶም በቲ ኲናት ዝተጸልዉ ከባቢታት ክበጽሕ ከምዘይክኣለ፡ ሰብመዚን ትካላት ረዲኤትን ክሕብሩ ጸኒሖም'ዮም። ነቲ ግጭት ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት ክሳብ ሕጂ ፍረ ከምዘይተረኽቦ ይግለጽ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58957385"} {"headline":"ቅልውላዉ ትግራይ፡ ን11 መዓልታት ረዲኤት ዝጸዓነት መኪና ናብቲ ክልል ከምዘይኣተወት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ዝሓለፈ 11 መዓልትታት ዝኾነት ሰብኣዊ ረድኤት ዝጸዓነት መኪና ናብ ትግራይ ከም ዘይኣተወት ብዘይካ'ዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ንሰብኣዊ ረዲኤት ዝኸውን ቀረብ ነዳዲ ናብታ ክልል ከምዘይኣተወ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሰብኣዊ ኩነታት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ረድኤት ጽዒነን ናብቲ ክልል ዝተበገሳ መካይን ካብ ሰብ መዚ ፍቓድ ክሳዕ ዝረኽባ ኣብ ሰመራ- ክልል ዓፋር ደው ኢለን ከም ዘለዋ ሓቢሩ። ናይቲ ብሰንኪ ኣብታ ክልል ዝተወልዐ ኲናት ተጸባዪ ህጹጽ ረዲኤት ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ጠለብ ንምምላእ መዓልታዊ መግቢ፣ ካልእን ነዳድን ዝጸዓና 100 መካይን ናብታ ክልል ክኣትዋ ከም ዘድሊ ዝሓበረ እቲ ትካል፡ ካብ 12 ሓምለ ንነጀው እቲ 15 ሚእታዊ ጥራይ ምቕራብ ከም ዝተኸኣለ ይገልጽ። ብሰንኪ እቲ ሕጽረት ቀረብ ነዳዲ መብዛሕትኦም ኣብ ሰብኣዊ ረድኤት ዝወፈሩ ትካላት ንዝዓበየ ክፋል ንጥፈታቶም ኣደስኪሎምዎ ምህላዎም'ውን እቲ ብሓሙስ ዝወጸ ጸብጻብ የመልክት። መንግስቲ ኢትዮጵያ ረድኤት ጽዒነን ናብቲ ክልል ዝኣተዋ መኻይን ይምለሳ ከም ዘየለዋ ብምግላጽ ህወሓት ንወተሃደራዊ መዓላ ይጥቀመለን ኣሎ ክብል ክኸስስ ጸኒሑ እዩ። ሰበስልጣን ህወሓት ግና እተን መካይን ንመምለሲ ዝኸውን እኹል ነዳዲ ከይሓዛ ከም ዝኣተዋ እዮም ዝገልጹ። እቲ ኲናት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ሰፊሑ ስለዝተላብዐን ኣብተን ክልላት'ውን ብዙሕ ህዝቢ ካብ መንበሪኡ ይመዛበል ብምህላውን ሰብኣዊ ኩነታት የንቆልቁል ከምዘሎ 'ኦቻ' ገሊጹ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ሰሜን ወሎ፣ ኣብ ከባቢ ደሴን ኮምቦልቻን ብርቱዕ ኲናት ከም ዘሎ ምንጭታት ይገልጹ። ብመንግስቲ ግብረሽበራዊ ምዃኑ ብዝግለጽ ህወሓት ዝቕለሱ ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብቲ ''ኣብ ቀለበት ርሕቐት መድፍዕ ኣእቲናዮ'' ዝበሉዎ መዓርፎ ነፍርቲ ኮምቦልቻ ሲቪላውያን ነፈርቲ ከይዓልባ ብሰኑይ ኣጠንቂቖም ነይሮም፡፡ ከንቲባ ከተማ ደሴ ኣቶ ኣበበ ገብረመስቀል ብሓሙስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ናብታ ከተማ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ከቢድ ብረት ሓደ ሰብ ክመውት እንከሎ ሰለስተ ከም ዝቖሰሉ ተዛሪቡ። ነታ ከተማ ንምሓዝ ዝዋግኡ ዘለው ሓይልታት ትግራይ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዛጊት ዝሃብዎ ርእይቶ የሎን። ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ ናብታ ኣብ ደቡብ ወሎ እትርከብ ኣገዳሲት ከተማ ወሎ ከም ዝኣተዉን ምስቶም ኣብታ ከተማ ዓስኪሮም ዘለዉ ሓይልታት መንግስቲ ይዋግኡ ከም ዘለዉን ሓቢሮም። ኣብ ትግራይ ቲቪ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ \"ንከተማ ደሴ ምቁጽጻር ጀሚሩ'ሎ\" ብምባል \"ሰላማዊ ህዝቢ ንዘይምጉዳእ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ተቖጢቡ፡ ብኻልእ ኣንፈት ንቕድሚት ኣብ ምግስጋስ ይርከብ\" ኢሎም። እንተኾነ ግን፡ ምኽትል ከንቲባ ከተማ ደሴ ኣቶ ሰይድ ዮሱፍ፡ ናብታ ከተማ ዝኣተወ ሓይሊ ህወሓት የለን ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ'ሎ። በቲ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ከካይዶ ዝቐነየ ደብዳብ ነፈርቲ'ውን ሓያሎ ሰባት ከምዝሞቱ ጸብጻባት ካብቲ ክልል ይገልጹ። እቲ ግጭት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ጥምየትን ሞትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ምህላዉ ይፍለጥ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59098556"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሓዘን ከምዝተኣወጀ ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ቀረባ መዓልታት ብዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ነፈርቲ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ንምዝካር፡ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሓዘን ከምዝተኣወጀ ተገሊጹ። መራሕቲ ትግራይ ሎሚ ረቡዕ ብመገዲ \"ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ\" ኣቢሎም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ከምዝሕበርዎ፡ ኣብ ቀረባ መዓልቲታት ኣብ ከተማታት ኣላማጣ፣ ኮረም፣ ደደቢት፣ ማይ ጸብርን ካልኦት ከባቢታትን ብደብዳብ ነፈርትን ድሮንን ብዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ንዝሞቱ ሰላማውያን ሰባት ንምዝካር ብኣቆጻጽራ ግእዝ ካብ 5 ጥሪ ክሳብ 7 ጥሪ 2014 ዓ\/ም መዓልቲ ሓዘን ኮይኑ ክዝከር ተኣዊጁ ኣሎ። በዚ መሰረት ባንዴራ ክልል ትግራይ ኣብያተ ዕዮታት ትሕት ኢሉ ክንብልበል ተኣዚዙ። ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ መዓልቲታት ጥራሕ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ ብዝተፈጸሙ ደብዳባት ነፈርቲ ልዕሊ 300 ሰባት ከምዝሞቱን ከምዝቖሰሉን ቴሌቪዥን ትግራይ ኣቃሊሓ። ብሰንኪ ኣብቲ ክልል ተዓጽዩ ዝርከብ መስመራት መራኸቢታት ስልክን ኢንተርነትን፡ ነቲ ሓበሬታ ብናጻ ኣካል ንምርግጋጽ ኣይተኻእለን። ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ናይቶም ብሰንኪ'ቲ ኲናት ዝተፈናቐሉ ሰባት ዝተፈጸመ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ 56 ሰባት ከምዝተቐትሉን ካልኦት ብዙሓት ከምዝቖሰሉን ሰራሕተኛታት ረድኤት ተዛሪቦም ነይሮም። ብተመሳሳሊ ብሰኑይ ኣብ ምዕራብ ትግራይ: ከተማ ማይ ጸብሪ ኣብ እንዳመጥሓን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፋሪት መብዛሕተአን ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 17 ሰባት ከምዝተቐተሉን ዓሰርተታት ከምዝቖሰሉን ሰራሕተኛታት ረድኤትን መሰኻኽር ዓይንን ንወኪል ዜና ሮይተርስ ገሊጾም። ብተመሳሳሊ: ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ሰለስተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምሟቶም ዝዝከር እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቶም ዛጊድ ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ነፈርቲ ዝበሎ ነገር የለን። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ግን፡ ንዒላማታት ሓይልታት ትግራይ ዘነጻጸረ መጥቃዕትታት ክገብር ከምዝጸንሐ'ዮም ዝገልጹ ነይሮም። በቲ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ዝተፈጸመን መጥቃዕቲ ድሮን ከምዝሓዘነ ዝገለጸ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ጎንጽን መጥቃዕቲታት ኣየርን ብቕልጡፍ ደው ክብል ጸዊዑ ኣሎ። ንሱ ብተወሳኺ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምስላጥን ድሕነት ሰላማውያን ሰባት ንምውሓስን ኩሎም ወገናት ዓለምለኻዊ ሕግታት ሰብኣዊ ሓገዝ ከኽብሩ ኣተሓሳሲቡ። ትካል ህፃናት ሕቡራት ሃገራት- ዩኒሴፍ፡ ብወገኑ ነዚ \"ኣብ ትግራይ ኣብ መፅለሊ ተመዛበልቲ ዝተፈፀመ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ዓለምለኻዊ ሕግታት ሰብኣውነት ዝጥሕስ'ዩ\" ክብል ዝኾነኖ ኮይኑ በቶም ዝተፈፀሙ ናይ ኣየር መጥቃዕትታት ከምዝተቖጠዐ'ውን ኣፍሊጡ። ብሰኑይ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብስልኪ ዝተዘራረብ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ብወገኑ፡ በቲ ዝቕጽል ዘሎ ተጻብኦታትን እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ መጥቃዕትታት ኣየር ሲቪላውያን ግዳያት ይገብር ብምህላዉ ዘለዎ ሻቕሎት ከምዝገለጸሉ ካብ ጻዕዳ ቤተ መንግስቲ ዝወጸ መግለጺ ኣመልኪቱ። ድሕሪ እቲ ኣብ ልዕሊ መዓስከር ተመዛበልቲ ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ኣየር፡ ትካላት ረድኤት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝህብዎ ዝነበሩ ኣግልግሎት ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘቋረፁ ምግላጾም ዝዝከር እዩ። እቲ ኲናት ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣሎ? እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቕጽል ዘሎን ኲናት፡ ህይወት ኣሽሓት ሰባት ቀዚፉ፣ ጠንቂ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ፣ ሚልየናት ካብ መንበሪ ቤቶም ኣመዛቢሉን ተጸበይቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ገይሩን ኣሎ። ኣብታ ኣብ ሙሉእ ዕፅዋ ትርከብ ትግራይ 6.3 ሚልየን ህዝቢ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ዝተገለፀ እንትኾን፡ ሕቡራት ሃገራት ድማ 'ዕላዊ ዘይኮነ ዕፅዋ ብመንግስቲ ተኣዊጁ' ከምዘሎ እዩ ዝኸስስ። ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ብዘይገደብ ክበፅሓ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክፈቅድ ብተደጋጋሚ ምሕታቶም ይፍለጥ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ረድኤት ናብ ትግራይ ንኸይኣቱ ቀንዲ ዕንቅፋት ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ህወሓት ምዃኑ እዩ ዝኸስስ። መራሒ ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ናብ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ ድብዳበ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ካብ ኩሉ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝሰሓቡን እቲ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንክረክብ ዝዓለመ ምዃኑን ይገልፅ። መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ሒዝዎም ዘሎ ከባብታት ሒዙ ከምዝፀንሕን ናብ ትግራይ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከምዘየካይድን ኣፍሊጡ ኔይሩ። ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝን ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይስን፡ እዚ ምዕባለታት ንሰላም በሪ ዝኸፍት ምዃኑ ገሊፆም ነይሮም። እንተኾነ፡ ኣብዚ እዋን እቲ ኲናት ዝርከበሉ ኩነታት ዘመልክት ጭቡጥ ሓበሬታ'ኳ እንተዘይተረኽበ፡ ኣብ ገለ ከባብታት ብፍላይ ድማ ብደቡባውን ምዕራብን ትግራይ ምስ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዘዋስኑ ከባብታት ውግእ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ። ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ዝኾነ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ናብ ትግራይ ብምኻድ ምስ መራሕቲ ህወሓት ተወሳኺ ዝርርብ ከምዘካየደ ተገሊጹ። ኦባሳንጆ ትማሊ ሰሉስ ናብ ርእሰከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ከምዝኣተወ፡ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብትዊተር ሓቢሩ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59933258"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ትማሊ ሰብኣዊ ረድኤት ዝጽዓና 40 ቃፍላይ መካይን ናብ ትግራይ ተበጊሰን","content":"ብሮቡዕ ኣስታት 40 መግብን መድሃኒትን ዝርከቦ ሰብኣዊ ቀረባት ዝጽዓና ቃፍላይ መካይን ካብ ዓፋር ናብ ትግራይ ከም ዝተበገሳ ትማሊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ኣብቲ ክልል ካብ 18 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ጀሚሩ ምብጻሕ ሰብኣዊ ረድኤት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ኮይኑ እዚ ድሕሪ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ዝተፈቕደ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ ሰብኣዊ ረድኤት ምዃኑ እቲ ትካል ሓቢሩ። እዘን መካይን ነዳድን መድሃኒትን ዝርከቦ ሰብኣዊ ቀረባት ጽዒነን ኣብ ሰመራ ፍቓድ ሰብ መዚ ክጽበያ ዝጸንሓ እየን። ምኽትል ወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፋርሃን ሃቅ \"ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት እናገደደ ኣብ ዝመጽአሉ እዋን ናብቲ ክልል ረድኤት ዝሓልፈሉ ስሩዕ መገዲ ክህሉ ኣገዳሲ'ዩ\" ኢሉ። ኣብቲ ክልል ልዕሊ ሓሙሽተ ሚሊዮን ህዝቢ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘድልዮ ብምግላጽ ነዚ ተበጻሒ ንምግባር ሰሙናዊ 500 ዝተፈለላዩ ቀረባት ሰብኣዊ ረድኤት ዝጽዓና መካይና ክኣትዋ ከም ዘለወን ትካላት ረድኤት ክገልጻ ጸኒሐን። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቅድም ኢሉ ብ22 ጥቅምቲ ናብ መቐለ ዝተጉዓዘት ነፋሪት እቲ ውድብ ምዕላብ ስኢና ናብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምምላሳ ናብ ትግራይ ዝገብሮ ዝነበረ በረራታት ደው ክብል ከም ዝገበረ ሓቢሩ ነይሩ። ትማሊ እቲ ተቛሪጹ ዝጸንሐ በረራ ሰብኣዊ ረድኤት እቲ ውድብ: ናብ ንቡር ከም ዝተመልሰ እቲ ወሃቢ ቃል ገሊጹ። ከም ውጽኢቱ ድማ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ትግራይን ካብ ትግራይ ወጻኢ ዘለው ሰራሕተኛታቶም ከንቀሳቕሱን ውሱን መንቀሳቐሲ ገንዘብ ከእትውን ከም ዝኽኣሉ ሓቢሩ። ይኹን'ምበር \"ኣብ ባይታ ዘለው መዳርግቲ ኣካላት ስራሕቶም ንምውጋን ሕጽረት ገንዘብ ይድርቶም ኣሎ\" ኢሉ። ብተወሳኺ ኣብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ይስራሕ'ኳ እንተሃለወ ሕጂ'ውን እቲ ኩነታት ኣጸጋሚ ከም ዝኾነ ሓቢሩ። ቅድሚ ሒደት መዓልታት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ኮምቦልቻ ዝርከብ መኽዘኑ ከምዝተዘምተ ገሊጹ ነይሩ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ዝምታ መዓስን ብመንን ከምዝተፈጸመ ዝገለጾ ነገር የለን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣምሓራ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ልዕሊ 450 ሽሕ ሰባት ተበጻሕቲ ዝኾኑሉ ምብጻሕ ረድኤት ከም ዝተጀመረ ፋርሃን ሃቅ ገሊጹ። እቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዘቑጸረ ኲናት ትግራይ ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ድሕሪ ምልሓኹ ምኽንያት ሞትን ምዝንባልን ኣሽሓት ሰባት ከምዝኾነ ይግለጽ። ኣብ ሰለስቲአን ክልላት ዝርከቡ ልዕሊ ሽድሽተ ሚሊየን ሰባት ድማ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘድልዮም እንትግለጽ፡ ኣብ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ኩሎም መሰረታዊ ኣገልግሎታት ተቛሪጾም ይርከቡ። ኣብዚ እዋን እቲ ኲናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከባቢ ሸዋ ሮቢት ይካየድ ከም ዘሎን ብዝተፈላለዩ ግንባራት ውግእ ከም ዝቐጸለን ጸብጻባት ይገልጹ። ሃገራት ምዕራብን ማሕበረሰብ ዓለምን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ኲናት ጠጠው ብምባል ኣፈላላዮም ብዘተ ንክፈትሑ ብተደጋጋሚ ይሓትቱ ኣለዉ። ኣመሪካ ተጻብኦታት ጠጠው ክብሉ ኣለዎም ካብ ምባል ሓሊፋ ኣብቲ ኲናት ተሳተፍቲ'ዮም ወይ'ውን እቲ ኲናት ንክናዋሕ ምኽንያት ኮይኖም'ዮም ኣብ ልዕሊ ዝበለቶም ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኤርትራ ዝርከቦም ትካላትን ላዕለዎት ሰብመዚ ኤርትራን እገዳ ከም ዝገበረት ይዝከር። ብተወሳኺ ምስቲ ኲናት ብዝተሓሓዝ ኣብ ኢትዮጵያ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምፍጻሞም ምኽንያት ብምግባር ኢትዮጵያ ብዙሕ ረብሓ ካብ እትረኽበሉ ስምምዕ ንግዲ ኣጎዋ ክትእገድ ወሲና እያ። እዚ ኲናት ጠጠው ንምባል ኣመሪካ ምስ ኬንያ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት ኦሊሰንጎን ኦባሳንጆን ካልኦት ሃገራትን ብቐረባት ትሰርሕ ምህላዋ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣፍሪቃ ፈላማይ ምብጻሕ ዝገበረ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ሓቢሩ ነይሩ። ብፍላይ ነዚ ኣመልኪቱ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጄፍሪ ፌልትማን ምስ ኦሌሶጎን ኦባሳንጆ ብምዃን፡ እቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኹነት ኲናትን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ጠጠው ክብሉ፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንሓደጋ ጥምየት ተቓሊዖም ዘለው ሚልዮናት ህይወቶም ንምድሓን ረድኤት ክበጽሕ ክመቻቾን ሰብኣዊ ኣገልግሎታት ተበጻሕቲ ክኾኑን ይስራሕ ኣሎ ኢሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ እቲ ኲናት ተገዲደ ዝኣተኹዎ'ዩ ክብል ጸኒሑ። ሓይልታት ትግራይ ድማ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተነበረ ዕፅዋ ንምኽፋትን ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ኤርትራን ፍሉይ ሓይልን ምልሻን ኣምሓራ ዝርከቡ ግዝኣታት ትግራይ ሓራ ንምውፃዕ ይዋግኡ ከምዘለዉ'ዮም ዝገልፁ። ሃገራት ምዕራብ ግን እቲ ኲናት ጠጠው ክብል ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይ ዝኾነ ገደብ ንክበጽሕ ክፍቀድን ጸቕጢ ይገብራ ኣለዋ። መንግስቲ ብወገኑ እዘን ሃገራት ንህወሓት ድጋፍ ብምግባር ኣብ ኢትዮጵያ መንግስቲ ክልውጣ ጻዕሪ ይገብራ ኣለዋ ክብል ይኸስስ። ህወሓት ብመንግስቲ እታ ሃገር ኣብ መዝገብ ሽበራ ዝሰፈረ ፖለቲካዊ ውድብ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝግበር ኲናት ንክድግፍን ክዘምትን ብተደጋጋሚ ጻውዒት ከም ዝገበረ ይፍለጥ። ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኣብታ ሃገር ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ተኣዊጁ ይርከብ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59387795"} {"headline":"ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተሓሓዝ ንሕቡራት ሃገራት ዝነቐፈት ሓላፊት ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ካብ ስራሓ ደስኪላ","content":"ሓላፊት ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (IOM) ኣብ ኢትዮጵያ፡ ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተሓሓዝ ነቲ ውድብ ብምንቃፋ ካብ ስርሓ ተኣልያ ክትጸንሕ እቲ ትካል ወሲኑ። እቲ ውድብ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ማውሪን ኣቺየንግ፡ \"ናይቲ ትካል ክብርታት ብዘየንጸባርቕ ኩነታት ውልቃዊ ርእይቶኣ ብምክፋላ፡ እቲ ጉዳይ ክሳብ ዝምርመር ምምሕዳራዊ ዕረፍቲ ተዋሂቡዋ ኣሎ\" ኢሉ። ኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ኣቐዲሙ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ \"ብዘይፍቓድ ቃለመሕትታት\" ኣካይዳ ብዝብል ኣብ ልዕሊኣ እቲ ስጉምቲ ከምዝተወስደ ዝገልጽ ሰነዳት ከምዝተዓዘበ ሓቢሩ ነይሩ። ኣቺየንግ፡ ኣብቲ ኣካዪዳቶ ዝተባህለ ቃለመሕትት፡ ምስ ህወሓት ምድንጋጽ ኣለዎም ዝብሃሉ ሓለፍቲ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ነቶም ኣብ ትሕቲኦም ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት ኣግሊለሞም ኢላ ምዝራባ ነቲ ትካል ባህ ኣየበሎን። ኣብዚ ቀረባ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሸውዓተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኢዶም ኣእትዮም ብዝብል ክሲ ካብታ ሃገር ክወጹ ከምዝኣዘዘ ይዝከር። እቶም ሰበስልጣን፡ ኣብ ውሽጢ'ቲ ዝተዋህቦም ናይ ግዜ ገደብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ኢትዮጵያ ምውጽኦም'ውን ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ነይሩ። እቲ ከም ሓንቲ ላዕለወይቲ ሓላፊት ዝሃበቶ ርእይቶ ንሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ኣእትዩዎ'ሎ። ንሳ፡ ንሓደ ምስ መንግስቲ ዝደናግጽ ጸሓፋይ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ እቲ ንሳ እትሰርሓሉ ትካል ምስቶም \"ጨካናት\" ከምኡ'ውን \"ረሳሓት\" ክትብል ዝገለጸቶም ተቓወምቲ ሓይልታት ትግራይ ምድንጋጽ ከምዘርኣየ ትኸስስ። ምስቲ ትካል ዝሰርሑ ኢትዮጵያውያን ብላዕለዎት ሓለፍቲ ክድስክሉ ከምዝተገብረ'ውን ትጠቅስ። ኣይ-ኦ-ኤም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ እታ ሓላፊት ናይቲ ትካል፡ ንክብርታቱ \"ዘየንጸባርቕ ውልቃዊ ርእይቶታት\" ከምዝሃበት ብምግላጽ፡ እቲ ጉዳይ ይምርመር ከምዘሎ ሓቢሩ'ሎ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣተሓሕዛ'ቲ ኩነታት ኣንጻር መንግስቲ ዘለዎ ኣድልዎ ዘረጋግጽ'ዩ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ይምጉት። ኣፈኛ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ቢልለኔ ስዩም ብትዊተር ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ \"ኣብ ውሽጢ ሕቡራት ሃገራት ዘሎ ውሽጣውን ደጋውን ፖለቲካዊ ጽልዋ\" ክምርመር ኣለዎ ኢላ። ተቓወምቲ ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ ርእይቶ ናይታ ሓላፊት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣንጻሮም ኣድልዎ ከምዘለዎ ዘርኢ'ዩ ክብሉ ነቒፎም ኣለዉ። ኣብቲ ብምስጢር ዝለሓዄ ድምጺ ካልእ እንታይ ኢላ? ማውሪን ኣቺየንግ ኣብቲ ምስ ሓደ ደጋፊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ጀፍ ፒርስ ዝተባህለ ጸሓፋይ ዘካየደቶ ነዊሕ ቃለመሕትት፡ ኲናት ትግራይ ድሕሪ ምውልዑ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ መሳርሕታ፡ ነቶም ኣብ ባይታ ዘገልግሉ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ኣግሊሎም ክትብል ትኸስስ። ኣብቲ ብምስጢር ሊሒኹ ዝወጸ ዝተቐድሐ ድምጺ፡ ኣብ ገለ እዋን ህወሓት ነቶም ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝተሰጉ ስደተኛታት ተጋሩ ናብ ርዋንዳ ክለኣኹ ውዲት ፈጺሙ ነይሩ ክትብል'ውን ትስማዕ። እቶም ኣብ ስዑዲ ተዳጒኖም ዝነበሩ ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ስደተኛተት ናብ ርዋንዳ ክውሰዱ ሕቶ ከምዝቐረበላን፡ እቲ ጠለብ ንኻልእ ዓላማ ዝተሓስበ ምዃኑ'ውን ትጠቅስ። \"ሽዑ ካብ ሩዋንዳ ደባይ ውግእ ከምዝጅመር ኣይትፈልጥን ማለት ረሳሕ'ዩ\" ክትብል ትስማዕ። ዘቕረበቶ ዝኾነ ጭብጢ ግን የለን። ብዘይካ'ዚ፡ ናብ ትግራይ ገጻ ከምዘይትምለስ ቃል ክትኣቱ'ውን ትስማዕ። ኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝበሎ፡ ንመሳርሕታ ኣብ ዝጸሓፈቶ መልእኽቲ \"ኣዝየ ተረቢሸን ሓዚነን ኣለኹ\" ድሕሪ ምባል፡ እቲ ዝወጸ ሓበሬታ \"ብምስጢር ከምዝተቐድሐን፡ ተመዚዙ ዝወጸን\" ምዃኑ ክትገልጽ ፈቲና። እንተኾነ ግን፡ እቲ ዝርርብ ይቕዳሕ ምንባሩ እቶም ኣብቲ ቃለመሕትት ዝተሳተፉ ክዘራረብሉ ይስምዑ። ትማሊ ሰኑይ፡ ዋና ዳይረክተር ዓለምለኻዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ኣንቶኒዮ ቪቶርዮ ብዛዕባ'ቲ ንሳ ዝሃበቶ ርእይቶ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ \"እታ ኣባል ናይቲ ትካል ብድምጺ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ ምስ መትከላትን ክብርታትን ኣይ-ኦ-ኤም ዝምድና የብሎምን። ብዝኾነ መልክዑ ናይቲ ውድብ መርገጺ ኮይኑ ክረአ የብሉን\" ኢሉ። እታ ብስም ዘይጠቐሳ ሓላፊት፡ ብህጹጽ ከምዝተጸውዐትን፡ ምምሕዳራዊ ዕረፍቲ ክትወስድ ከምዝተገብረን ኣብቲ ዝጸሓፎ ደብዳበ ሓቢሩ። ኢትዮጵያ ሓላፊ ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም 7 ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ምስጓጓ፡ ባይቶ ጸጥታ ናይቲ ውድብ ነቲ ጉዳይ ከምዝዘተየሉ ይፍለጥ። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዩ ጉተረዝ፡ ኢትዮጵያ \"ዓለምለኻዊ ሕጊ ትጥሕስ ኣላ ኢልና ኢና ንኣምን\" ብምባል፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝቐረበ ክሲ ዘረጋግጽ መርትዖ ክቐርበሎም ጠሊቡ'ሎ። እንተኾነ ግን ቀዋሚ ወኪል ኢትዮጵያ ኣብቲ ውድብ ኣምባሳደር ታየ ኣጽቀስላሰ ብወገኑ፡ እቶም ዝተሰጉ ሰብመዚ \"መትከላት ሰብኣዊ ረዲኤት ጥሒሶም\" ክብል ብምኽሳስ፡ ሃገሩ ንባይቶ ጸጥታ መብርሂ ናይ ምሃብ ግዴታ ከምዘይብላ ገሊጹ ነይሩ። እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ብህወሓት ዝምርሑ ሓይልታት ትግራይን ዝተወልዐን ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝለሓመን ኲናት፡ ኣብቲ ዞባ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ምህላዉ ይፍለጥ። ብሰንኪ ምዕጻው መስመራት ጽርግያን ካልኦት ዕንቅፋታትን ናብቲ ተጸባዪ ረዲኤት ዝኾነ ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ዝበጽሕ ሓገዝ እኹል ከምዘይኮነ ሕቡራት ሃገራት ክገልጽ ጸኒሑ'ሎ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58890702"} {"headline":"ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ 'ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ሕልኽለኻት ቀጺሎም'","content":"ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት [ኦቻ-OCHA] ናብ'ታ ንኣስታት ትሸዓንተ ኣዋርሕ ብኲናት ትሕመስ ዘሎ ትግራይ ረድኤት ንምብጻሕ ዝግበር ምንቅስቓስ ኣይተመሓየሸን ኢሉ። እቲ ትካል ሎሚ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ኣፍጋኒስታን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ እዩ ምምሕያሽ ዘይምህላው ጠቒሱ። ኣብቲ ክልል ብዝቕጽል ዘሎ ኲናት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ንሓደጋ ዓጾቦ እንትሳጥሑ ኣስታት 5.2 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ረድኤት ኮይኖም ከም ዘለዉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምግላጹ ይዝከር። ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ወተሃደራዊ ምንቅስቓሶም እንትቕጽሉ \"ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ግን ዘይተገማታይን ተቐያያርን ኮይኑ ቀጺሉ ኣሎ\" ክብል እቲ ትካል ስክፍትኡ ገሊጹ። \"ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ምብጻሕ ዝከኣል በታ ሓንቲ ዝተረፈት መገዲ ዓፋር'ኳ ንሳ'ውን ብሰንኪ ጸገም ጸጥታን ኣብ መገዲ ዝግበር ጽዑቕ ተፍትሽን እገዳታትን እቲ ኩነታት ክጋደድ ገይርዎ ኣሎ\" ይብል። እዚ ኣብ መንገዲ ዘጋጥም ዘሎ ጽዑቕ ተፍትሽን ክልከላን እቲ ምብጻሕ ረድኤት ክደናጎ ምኽንያት ኮይኑ ከም ዘሎ ወሲኹ ሓቢሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ረድኤት ከይሓልፍ ዕንቅፋት ከም ዘይኮነ ብምግላጽ ንሓይልታት ትግራይ እዩ ዝኸስስ። ወሃቢ ቃል ሓይልታት ትግራይ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ እቲ ኣብ ክልላት ዘካይድዎ ዘሎ ኲናት እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ኩለ መዳያዊ ዕጽዋ ንምኽፋት ዝዓለም ከም ዝኾነ ንቢቢሲ ገሊጹ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብቲ ክልል ዝነበሮ መኽዝን መግቢ ከም ዝወተደኣ ብምግላጽ፡ ህይወት ናይ'ቲ ንሓደጋ ጥሜት ተሳጢሑ ዘሎ ንምትራፍ መዓልታዊ መግብን ካብ መግቢ ወጻእ ዝኾኑ ቐረባትን ዝጸዓና 100 መካይን ናብ መቐለ ክኣትዋ ከም ዘለወን ኣፍሊጡ ነይሩ። እቲ ትካል ሰብኣዊ ረድኤት፡ በቲ ሕዚ ዘሎ ኣዝዩ ጽዑቕ ተፍትሽን ምጽራይን መዓልታዊ 30 መኪና እየን ክሓልፋ ዝኽእላ ይብል። ብተመሳሳሊ ዜና፡ ትማሊ 200 ቶን ምግቢ ተንከፍ ዝጸዓነት፡ ነፋሪት ሕቡራት ኢመራት ዓረብ ናብ መቐለ ከም ዝኣተወት ዋም ዝተባህለ ዜና ወኪል ገሊጹ። ምስ ትካል መግቢ ዓለም ብምትሕብባር፡ ቀዳምነት ቀረብ ምግቢ ንዘለድልዮም ክፍሊ ማሕበረሰብ ከም ዝውዕል'ውን እቲ ጸብጻብ የመልክት። ሓለፊ ዞባ ምብራቕ ትካል ምግቢ ዓለም፡ ማይክል ዳን ፎርድ፡ \"ኣብቲ ክልል ቀረብ ምግቢ ተመናሚኑ እዩ ዝርከብ። ኣብዚ እዋን ዝተገብረ እዚ ሓገዝ ኣዝዩ ዝናአድ ተበግሶ እዩ\" ክብል ኣመስጊኑ። ሕቡራት ዓረብ ኢመራት ንህዝቢ ትግራይ ተመሳሳሊ ሓገዝ ምግባር ከም እትቕጽለሉ ብሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢኣ ኣቢላ ኣብ ዘወጽኣቶ መግለጺ ሓቢራ። ካልእ እንታይ ምምሕያሻት ተራእዩ? ትካል ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ 16 ሓምለ ክሳብ 15 ነሓሰ ኣብ ወርሒ ብጠቕላላ 318 ናይ ጽዕነት መካይን ናብ ትግራይ ሓሊፈን ኢሉ። \"እነውተኾነ፡ ብመጠን እቲ መዓልታዊ እናወሰኸ ዝሓድር ጠለብ ረድኤት፡ እዚ ቁንጣር እዩ\" እዩ ኢሉ። እቲ ትካል ስራሕቲ ሰብኣዊ ምንቅስቓሳት ብሰንኪ ሰኣኖ ኣገልግሎታት ባንኪ፣ ዋሕዲ ቅርሺ፣ ዋሕዲ ነዳዳን መገድታት መራኸብን ኣዝዩ ተጸልዩ ከም ዝርከብ ወሲኹ ሓቢሩ። ዛጊድ፡ መሳርሕታት ኮምኒኬሽን ሒዝካ ምጉዓዝ ከም ዘይተፈቕደ'ውን ገሊጹ። እንተኾነ፡ መጠን ዝውውር ሰራሕተኛታት ምምሕያሽ ከምርአየ ሓቢሩ። ብኣየር ዝግበር ጉዕዞ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ከምቲ ቀዲሙ ዝተተለመ፡ ነፋሪት እቲ ውድብ ኣብ ሰሙን፡ክልተ ግዜ ስሩዕ ትመላላስ ኣላ ኢሉ። ኣብ'ቲ ክልል ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ብሓፈሻ 457 ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣገልግሎት እናሃቡ ከም ዝርከቡ'ውን ኣፍሊጡ። ከምኡ'ውን፡ 29 ዓለም ለኸ 6 ሃገራዊ መሻርኽቲ ብሓፈሻ 35 ዘይመንግስታዊ ትካላት ይንቀሳቐሱ ከም ዘለዉ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ። ብተወሳኺ ኣብ ቀረብ ጽሩይ ማይን መሳርሒ ትምህርትን ረድኤት ሕክምና ኣብ ምብጻሕን 'ውን ጽቡቕ ንጥፈታት ከም ዘሎ ሓቢሩ። ምስቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጠለብ ሰብኣዊ ረድኤት ተወሳኺ ሓይሊ ሰብ፣ ምጅማር ዝተቛረጹ ኣገልግሎት መብራህቲ፣ ባንኪ፣ ቴሌኮምን ነዳድን ኣዝዩ ግዜ ዘይወሃቦ ጠለብ ክብል ጻውዒት ኣቕሪቡ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58273081"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ረድኤት ናብ ትግራይ ከይኣቱ ዝዓግት ዘሎ ነገር እንታይ'ዩ?","content":"ብሰንኪ እቲ ከም ብሓድሽ ዝተወልዐ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ትግራይን ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ሓገዝ ዝፀዓና መኻይን ናብ ትግራይ ከይኣትዋ ብድሆ የጋጥመን ኣሎ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ልዕሊ 5 ሚልየን ሰባት ኣብ ዘስካሕክሕ ትፅቢት ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝርከቡ ገሊፁ'ዩ። ሓገዝ ንምብፃሕ ዘይተኻእለሎም ከባቢታት ኣየኖት እዮም? ዋላ'ኳ ኣብ ትግራይ ህፁፅ ሓገዝ እንተድለየ፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ኣዋርሕ ናብ ትግራይ ሓገዝ ምብፃሕ ኣዝዩ በዳሂ ኮይኑ'ዩ ፀኒሑ። ኣብቶም ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ሰሜናዊ ክፍሊ ኢትዮጵያ ትግራይ ንምሓዝ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ደማዊ ኲናት ተኻይዱ። ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ውግእ ናብታ ናብ ትግራይ ንምእታው ብሕታዊት መገዲ ዝኾነት ናብ ጎረቤት ክልል ዓፋር ተሳሒቡ ኣሎ። ብሰንኪ እዚ ሓድሽ ጎንፂ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቁፀሩ ሰባት ዝተመዛበሉ እንትኾኑ፡ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ድማ የድልዮም። ሓገዝ ምብፃሕ ዝከኣለለን ከባብታት ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓይልታት ትግራይ (ህወሓት) ዝርከባ ኣለዋ እየን። ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቶም ኣብ ትግራይ ሓገዝ ዘድልዮም 75 ሚእታዊት ምብፃሕ ከምዝከኣል'ዩ ዝገልፅ፤ እዚ ኣሃዝ ኣብ ወርሒ ጉንበት 30 ሚእታዊት ጥራሕ እዩ ኔሩ። እንተኾነ፡ ኣብዞም ከባብታትን ብቀጥታ ምብፃሕ ዘይከኣሉን ከባብታት፡ \"እቲ ዘሎ ቀረብ ብቕልጡፍ ይመናመን ከምዘሎ\" ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ። ኣብዚ ወርሒ መኻይን ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ጥራሕ እየን ብዕዉት መገዲ ናብ ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ምብፃሕ ክኢለን። ኣብቲ ዝሓለፈ 12 ሓምለ 54 መኻይን ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት \"ድሕሪ ናይ መዓልትታት ምኽልካል መገዲ\" ምግብን ካልኦት ወሰንቲ ሓገዝን ናብ ከተማ መቐለ ኣትየን'የን። እንተኾነ ኣተሓባባሪት ኤጀንሲ ልምዓት (USAID) ሳማንታ ፓወር፡ እዚ ረድኤት፡ ኣብዚ ወርሒ ካብ ዘድልይ ሓገዝ ምግቢ ሓደ ሚእታዊት ጥራሕ'ዩ ኢላ። ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ ኣብዚ ቅልውላው ዘሎ ህዝቢ ንምሕጋዝ በብመዓልቱ ብውሑዱ 60 መኻይን ሓገዝ ክኣትዋ ከምዝግባእ እዩ ዝገልፅ። ካብ ዝሓለፈ መወዳእታ ወርሑ ጉንበት ጀሚሩ ናብ ትግራይ ዝግበሩ በረራታት ኣየር ተቛሪፆም እዮም፤ እዚ ማለት ብኣየር ሓገዝ ናብ ትግራይ ምግዓዝ ኣይከኣልን። ስለዝኾነ ድማ ኩሎም ቀረባት ብመገዲ ተጓዒዞም ክኣትዉ ግድን ይገብሮ፤ እንተኾነ መብዛሕትኦም መስመራት ተዓፅዮም'ዮም። ኣብቲ ኵናት ምስ መንግስቲ ፌደራል ወጊኖም ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ኣምሓራ፡ ብደቡባዊ ትግራይ ሓገዝ ከይኣቱ ይኽልክሉ ኣለዉ። ኣብቲ ዝሓለፈ 29 ሰነ 29 መኻይን ሓገዝ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም በዞም ሓይልታት ካብ መገዲ ክምልሳ ከምዝተገደዳ ፀብፃባት ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ። ብወገን ሱዳን'ውን ናብቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ጉጅለ ደገፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝርከብ ምዕራብ ትግራይ ሓገዝ ምቕራብ ዘይከኣል እዩ ኮይኑ ፀኒሑ። ስለዝኾነ ከኣ፡ ክሳብ ቀረባ ግዘ ናብ ትግራይ ሓገዝ ንምብፃሕ እቲ ብሕታዊት መገዲ ብሸነኽ ምብራቕ፡ ክልል ዓፋር ጥራሕ እያ ኔራ። ይኹን'ምበር፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን እቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኲናት ናብ ዓፋር ብምልብዑ፡ በዚ ክልል ሓገዝ ምብፃሕ ሓደገኛ ኮይኑ ኣሎ። ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ሓገዝ ኣብ ልዕሊ ዝፀዓና 10 መኻይኑ መጥቃዕቲ ምስተፈፀመ፡ ብዓፋር ኣቢሉ ናብ ትግራይ ዘብፅሖ ሓገዝ ኣቋሪፁ። ነዚ መጥቃዕቲ መን ከምዝፈፀሞ ዋላ'ኳ ግልፂ እንተዘይኾነ፡ ተዓዘብቲ ግና ደገፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ምልሻታት ከምዝፈፀምዎ እዮም ዝገልፁ። ትካል ምግቢ ዓለም፡ ካልኦት ተወሰኽቲ 20 መኻይን ሓገዝ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራ ተዳልየን'ኳ እንተሃለዋ፡ ኩነታት ፀጥታ ክሳብ ዝመሓየሽ ግና እተን መኻይን ናብ ትግራይ ከምዘይኸዳ ኣፍሊጡ። ኮምሽነር ምክልኻል ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣይተ ምትኩ ካሳ፡ መኻይን ሓገዝ ናብ ትግራይ ከይበፅሓ ህወሓት ኣብ ዓፋር ይገትአን ኣሎ ክብል ከሲሱ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ'ውን፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ብሸነኽ ዓፋር ናብ መቐለ ከይበፅሕ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ብኸቢድ ብረት መንገድታት ብምድብዳብ ይዓግቱ ኣለዉ ብምባል ከሲሱ። ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ህወሓት ነዚ ክሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምላሽ ኣይሃበሉን፤ ቅድም ቅብል ግና፡ \"ድሕንነትን ውሕስነትን ሰራሕተኛታት ረድኤት ንምውሓስ ኣድላይ ዘበለ ድጋፍ ኩሉ ከምዝገብር\" ኣፍሊጡ'ዩ። ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብዚ እዋን ናብ ትግራይ ኣብ ዝወስዱ መስመራት ንዝኸዳ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና መኻይን ኣብ ኬላታት ምድንጓያት ከምዘሎ ገሊፁ። ንትካላት ረድኤት ክነቅፍ ዝፀንሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኩለን ሓገዝ ዝፀዓና መኻይን ኣብ ኬላታት ክፍትሻ ይግባእ ይብል። ሚኒስቴር ድኤታ ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ሬድዋን ሑሴን፡ ስሞም ዘይፀርሖም ትካላት ሓገዝ \"ምስ ህወሓት ይሰርሑ ኣለዉ፡ መንግስቲ ናብ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኣፅዋርን ናውትን የብፅሑ ኣለዉ'ዮም\" ኢሉ ምኽሳሱ ስዒቡ'ዩ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሓገዝ ዝፀዓና መኻይን ኣብ ኬላታት ክፍትሻ ይግባእ ዝበለ። ኣይተ ሬድዋን ብተሌቬዥን እታ ሃገር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ \"እቲ ዘሎ ጎንፅን ናዕብን ንምንዋሕ፡ ሓገዝ ዝብል ሽፋን ተጠቒሞም፡ ንሓይልታት ህወሓት ከዕጥቑ'ዮም ፀኒሖም\" ኢሉ። ትካል ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ትካላት ሓገዝ ዝግበር ዘሎ ምጥርጣር፡ \"ምንቅስቓስ ሰራሕተኛታት ረድኤትን ድሕንነቶምን ኣብ ሓደጋ የውድቖ\" ከምዘሎ ገሊፁ። ሕቡራት ሃገራት፡ ኲናት ትግራይ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ካብ ዝውላዕ ንነዘ፡ 12 ሰራሕተኛታት ረድኤት ከምዝተቐተሉ ኣፍሊጡ'ዩ። ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ 5 ሓምለ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ንሰብኣዊ ሓገዝ በረራታት ከምዝፈቅድ ኣፍሊጡ ኔሩ። እንተኾነ፡ ነዞም በረራታት ንምክያድ፡ ኩሎም ዝግበሩ በረራታት ቅድሚ ናብ ትግራይ ብቐጥታ ምብራረን ንምቁፅፃር ኣብ ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ ክዓርፋ ግድን እዩ ዝብል ፅኑዕ ረቛሒ'ዩ ኣንቢሩ። ክሳብ ሕዚ በዞም በረራታት ብዘይካ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ዝበፅሐ ሓገዝ ምግቢ የለን። ዓለምለኻዊ ትካል ቀይሕ መስቀል (ኣይሲኣርሲ)'ውን ፡ ፅንኩር ፋይናንሳዊ ሕፅረት የጋጥሞ'ሎ። ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ሕዚ ክሳብ ዝመፅእ ወርሒ ታሕሳስ፡ 435 ሚልየን ዳላር ተወሳኺ ገንዘብ ከምዘድልዮ የአንፍት። መራኸብታትን ሓይሊ ኤሌክትሪክን መብዛሕትኦም ከባብታት ትግራይ ተቛሪፁ'ዩ፤ እዚ ድማ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ንምሃብ በዳሂ ጌርዎ ይርከብ። ሕቡራት ሃገራት፡ \"ሕፅረት ነዳድን ገንዘብን፣ ምድስካል መራኸብታትን፡ ንቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣዝዮም የተኣጓጉሉ ኣለዉ\" ኢሉ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57952760"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ምጽራያት ሓቃውነት ምስ ሰብኣዊ ረድኤት ተዛሚዶም ዝቐርቡ መግለጺታት","content":"ብፒተር ምዋይ ቢቢሲ ሪያሊቲ ቼክ ኣብ ትግራይ ኢሉ'ውን ኣብ ካልኦት ጎረባብቲ ክልላት ግጭት ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን መንግስቲ ብዛዕባ ምስ ቀረብ ረድኤት መግቢ ተዛሚዱ ብዘሓት ሕቶታት ከልዕል ጸኒሑ'ሎ። ቢቢሲ 'ሪያሊቲ ቼክ' ኣብቲ ርእሰ ዛዕባ ኣመልኪቱ ዛጊድ ዝፍለጡ ነገራት ስራሕቲ ምጽራይ ኣካይዱ'ሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን እዚ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐረበ ክሲ ዘጠናኽር እሙን መርትዖ ኣይተረኸበን’ሎ። ህወሓት ብወገኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ረድኤት ዝጸዓና መካይን ናብ ትግራይ ንኸይኣትዋ “ኩሉ ዓይነት ምኽኒት የቕርብ’ሎ” ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ’ዩ። እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ግጭት ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ካልኦት ክልላት ከምዝተጋፍሐ ዝፍለጥ ኮይኑ ካብ ኣምሓራ ናብ ትግራይ ዝወስድ መገዲ ተዓጽዩ’ዩ። ካብ ርእሰ ከተማ ክልል ዓፋር ሰመራ ተበጊሱ ብኣብዓላ ገይሩ ናብ ትግራይ ዝወስድ መገዲ’ውን እንተኾነ ናይ ጸጥታ ጸገም ኣለዎ። ካብ ክልል ኣምሓራ ናብ ትግራይ ዝወስድ መገዲ ብናይ ሓይልታት ትግራይ እንተይኮነስ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝድግፉ ሚሊሻታት’ዩ ተዓጽዩ። ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 21 ክልተ ናይ ጽዕነት መካይን ኣብ ዓፋር ብስቪል ሰባት ተዓጊተን ከምዝተዘመታ ኣፍሊጡ ነይሩ። እንተኾነ እዚ ተግባር ብመን ከምዝተፈጸመ ንጹር ዝኾነ ሓበሬታ የለን። ሓይልታት ትግራይ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ኣብዚ ዝተጠቐሰ ቦታ ይንበሩ ኣይንበሩ ዝፍለጥ ነገር የለን። ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝሓለፈ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ንዝተፈጠረ ምድንጓያት ረድኤት ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ፍቓድ ዘይምርካብን ናብ ትግራይ ኣብ ዝወስዱ መንገድታት ብዙሓት ኬላታት ምህላዎምን ሓዊሱ ካልኦት ምኽንያታት ከምዝነበሩ ጠቒሱ’ዩ። ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት መተሓባበሪ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ወርሒ ነሓሰ ዕለት 5\/2013 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ተበጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዛት “ኣዝዩ ተመሓይሹ” ድሕሪ ምባሉ ኣስታት 75 ምኢታዊት ክበጽሖም ከምዝኸኣለ ገሊጹ ነይሩ። ይኹን እምበር ናብ ትግራይ ዝኣቱ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛት እኹል ከምዘይኮነ ሓቢሩ’ዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብግዲኡ ብነሓሰ 5 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ረድኤት ዝጽዓና 277 መካይን ናብ ትግራይ ኣትየን ኣለዋ ኢሉ። ቢቢሲ እዚ ሓበሬታ ከጣልል ኢሉ ናብ ሕቡራት ሃገራት ሕቶ’ኳ እንተቐርበ ምላሽ ግን ኣይረኸበን። ትካል መግቢ ዓለም ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ሰሙናዊ 6 ሽሕ ቶን ረድኤት መግቢ ከምዘድልን ነዚ ንምጉዕዓዝ ከኣ መዓልታዊ 100 ረድኤት ዝጽዓና መካይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ከምዘለወን ኣፍሊጡ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ናብ ትግራይ ዝግበሩ ናይ ነፈርቲ በረራታት ድሕሪ ምእጋዶም ኣብ መፈለምታ ወርሒ ሓምለ በረራ ከምዝተጀመረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ። ኣብ ቀረባ እዋናት ሰራሕተኛታት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ብነፈርቲ ናብ ትግራይ ንምጉዕዓዝ ዝሓሸ ምዕባለ ከምዘሎ ንቢቢሲ ገሊጹ’ዩ። እንተኾነ ግን ኣብ ሰበ ስልጣናት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝተርኣየ ጥንኩር ናይ ፍቓድ ኣወሃህባ ምኽንያት ኣብ ወርሒ ሓምለ ካብ ክልተ በረራታት ንላዕሊ ምክያድ ኣይተኸኣለን። ሰራሕተኛታት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ዝጽዓነት ነፋሪት ንፈለማ እዋን ሓምለ 15\/2013 ዓ\/ም ናብ መቐለ ዝኣተወት ኮይና ንኻልኣይ ግዜ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ከካይድ መጺኡ ንዝነበረ ሓድሽ ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፍትስ ዝሓዘት ነፋሪት ናብ ትግራይ በሪራ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ ጥራይ ድማ ካብ ኣዲስ ኣበባ መቐለ ኣርባዕተ በረራታት ሰብኣዊ ረድኤት ተኻይዶም። ኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ቢልሌኔ ስዩም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል “ንድሕነት ቆላሕታ ኣብ ናይ ምግባር ከይዲ እቲ መስርሕ ቅልጡፍ ንምግባር ዝሓሸ ጻዕሪ ተገይሩ’ዩ” ኢላ። ሕቡራት ሃገራት ንስራሕቲ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ ትግራይ ንዝዋፈሩ ሰራሕተኛታት ረድኤት ንምምልላስ ኣብ ሰሙን እንተወሓደ ክልተ በረራ ነፈርቲ ከምዘድሊ ገሊጹ። ኣገልግሎት ሓይሊ ኤልክትሪክን ቴሌኮሙኒኬሽንን ሓዊስካ ካልኦት መሰረታውያን ኣገልግሎት ኣብቲ ክልል ከምዝጅመር ዝምልከት ሓበሬታ ዝተገለጸ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ብቴሌፎን ምስ ዘተዩ ቤት ጽሕፈት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ሓምለ 02\/2013 ዓ\/ም ዕላዊ ዝገበሮ ሓበሬታ’ዩ። “ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣብ ትግራይ ዝተቛረጹ መሰረታውያን ኣገልግሎታት ብቕልጡፍ ከምዝጅምሩ ምግላጹ እቲ ዋና ጸሓፊ ብጽቡቕ ዓይኒ ተቐቢልዎ” ዝብል እዩ ነይሩ እቲ መግለጺ። ይኹን እምበር እቶም ዝተበሃሉ ኣገደስቲ መሰረታውያን ኣገልግሎታት ዛጊድ ስራሕ ኣይጀመሩን ኣለዉ። ቢቢሲ ብዛዕባ እዚ ርእሰ ጉዳይ ሓምለ 22\/2013 ዓ\/ም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቲቱ “እዞም መሰረታውያን ኣገልግሎታት ዳግማይ ስራሕ ክጅምሩ ዝኽእሉ ሓይልታት ትግራይ ነቲ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ውሳነ ምስ ዝቕበሉ’ዩ” ዝብል ምላሽ ሂቡ ነይሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ በይንኣዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ውሳነ ዝኣወጀ ኮይኑ ሓይልታት ትግራይ ከኣ ነቶም ዘቕረብዎም ቅድመ ኩነታት ተማሊኦም እቲ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ውሳነ ግን ብድርድር ክፍታሕ’ዮም ዝጠልቡ። በዚ ምኽንያት ከኣ እቲ ዝበዝሕ ክፋል ትግራይ ኣገልጉሎት ኤሌትሪክ፣ ቴሌኮሙኒኬሽን ኮነ ባንኪ ኣይረክብን ዘሎ። ገለ ገሊኦም ብጀኔሬተር ዝተሓገዘ ሓይሊ ኤልትሪክ ይረኽቡ’ኳ እንተሃለዉ ኣብ ትግራይ ናይ ነዳዲ ሕጽረት ስለዘሎ ነዳዲ ኣብዝተረኸበታ ውሱን ኣገልግሎት ጥራይ እዩ ዝርከብ ዘሎ። ዩኒቨርስቲ መቐለ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ 22 ኣብ ናይ ባዕሉ ፌስቡክ ገጽ፡ እቶም መሰረታውያን ኣገልግሎታት ብምቁራጾም ምኽኒያት ክሳዕ ክንደየናይ ተጸጊሙ ከምዘሎ ጽሒፉ። ገበርቲ ሰናይ ትካላት’ውን እንተኸነ እቶም ኣገልግሎታት ብምቁራጾም ስራሕቶም ይተኣጓጎል ከምዘሎ ሓቢሮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ እቶም መሰረታውያን ኣገልግሎታት ዳግማይ ንምጅማር ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ይውግን ከምዘሎ ኣፈኛ ቀዳማይ ሚኒስትር ናይታ ሃገር ንቢቢሲ ተዛሪባ። እንተኾነ ግን ህወሓት የካይዶ ብዘሎ ኵናት ምኽኒያት “ኣብ መሰረተ ልምዓት ቴሌኮሙኒኬሽን፣ ኢንተርኔትን ሓይሊ ኣብ ዘሰጋግሩ መስመራትን ዝፍጸም ዕንወት ከምኡ’ውን ኣብ ሰራሕተኛታት ጽገና ዝበጽሕ መጥቃዕቲ” ነቲ ስራሕ ኣጸጋሚ ከምዝገበሮ ጠቒሳ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58220469"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ሓይልታት ትግራይ ቀረባት ረድኤት ይዘምቱ ኣለዉ - ዩኤስኤኣይዲ","content":"ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ መኽዘን ቀረባት ሰብኣዊ ሓገዛት መንግስቲ ኣሜሪካ ዘሚቱ ክብል ሓላፊ ዓለምለኻዊ ኤጀንሲ ምትሕብባር ልምዓት ኣመሪካ [ዩኤስኤይድ] ኣብ ኢትዮጵያ ከሲሱ። እቲ ሓላፊ ምስ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሮ ቃል-መሕተት፡ ሓይልታት ትግራይ መግብን ካልኦት ቀረባትን ብምውሳድ ንመኽዝናት ጥርሖም ከም ዘትረፉ ተዛሪቡ። ብዛይካ’ዚ መኻይን ከም ዝወሰዱ’ውን ወሲኹ ሓቢሩ። ኣብ ዝበጽሕዎም ከባብታት ድማ “ከቢድ ዕንወት” ከምዘውረዱ ኣመልኪቱ። ነቲ ክሲ ግብረመልሲ ዝሃበ ኣፈኛ ህወሓት ጌታቸው ረዳ ግን፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዝምታ ብናጻ ኣካል ክምርመር ከምዝድግፍ ብትዊተር ገሊጹ'ሎ። \"ዋላ'ኳ ብዛዕባ ዝኾነ ዘይቅቡል ስነምግባር ካብ መስመር ዝወጸ ተጋዳላይ ክንዛረብ እንተዘይክኣልና፡ እቲ ዝምታ በቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ከምዝፍጸም ጭብጢ ኣለና። መርገጺና፡ እዚ ብናጻ መርመራ ተራእዩ'ዩ ክፍታሕ ዘለዎ\" ኢሉ። ሰበስልጣን ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓይልታት ትግራይ 40 ሰባት ከም ዝቐተሉ ከምኡ’ውን ኣብያተ ትምህርቲ፣ ሆስፒታላትን ካልኦት ትካላትን ከም ዘዕነዉ ከሲሶም ነይሮም። እቲ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት፡ ሕጂ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ከም ዝልሓኸ ይፍለጥ። ሓይልታት ትግራይ ድማ ኣብዞም ዝኣተውሎም ከባቢታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጽሙ፣ ንብረትን ትካላትን ህዝብን መንግስትን የዕንውን ይዘምቱን ኣለው ዝብል ተደጋጋሚ ክሲ ይቐርበሎም ኣሎ። ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልዕሊ 500 ሽሕ ህዝቢ ከም ዝተመዛበለ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ይገልጽ። ኣብዚ ሰሙን ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ብሰንኪ እቲ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝልሑክ ዘሎ ኲናት ትግራይ ልዕሊ 7 ሽሕ ኣብያተ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ገሊኦም ድማ ብኸፊል ከም ዝዓነዉ ኣፍሊጡ። ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ትግራይ ጥራይ ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ተምሃሮን ልዕሊ 48 ሽሕ መምህራንን ካብ ምምሃር ምስ ትምሃር ወጻኢ ኮይኖም ኣለዉ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ጥራይ ኣብ ክልል ዓፋር \"88 ሽሕ ተምሃሮ ዝመሃሩሎም ዝነበሩ 455 ኣብያተ ትምህርቲ ብህወሓት ዓንየን\" ኢሉ ምዝራቡ ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን። ሓይልታት ትግራይ ነቲ ሕጂ ዝኽሰስሉ ዘለው ተግባራት ዝሃቡዎ ምላሽ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ነቲ ተግባራት ከም ዘይፈጸሙ ግን ብተደጋጋሚ ክገልጹ ጸኒሖም። እቶም ሓይልታት ንዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ኣንጻር ሰራዊት መንግስቲ ፌደራልን ኣብ ጎኑ ዝተሰለፉ ሓይልታትን ይዋግኡ ኣለው።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58406274"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዝልሑኽ ዘሎ ኲናት","content":"ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንእትርከብ ታሪኻዊት ከተማ ላሊበላ ከም ዝተቖጻጸሩዋ ዝገልጹ ጸብጻባት ምውጽኦም ይፍለጥ። ምክትል ከንቲባ እታ ከተማ ኣቶ ማንደፍሮ ታደሰ ሓይልታት ትግራይ ንላሊበላ ከም ዝተቖጻጸሩዋ ከረጋግጽ እንከሎ፡ ኣብ መዝገብ ትካል ባህሊ፣ ትምህርትን ሳይንስን ውድብ ሕቡራት ሃገራት [ዩኤስኮ] ዝሰፈሩ ሓድጊ ኣብያተ ክርስቲያናት ሓለዋ ክግበረሎም ጸዊዑ ነይሩ። ላሊበላ፡ ብኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ኢትዮጵያ ፍሉይ ክብሪ ዝወሃቦም ካብ ከውሒ ተፈልፊሎም ዝተሰርሑ ኣብያተ ክርስቲያን ዘለዎ ስፍራ ኮይኑ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ መስሕባት ቱሪዝም እታ ሃገር'ውን እዩ። ሓይልታት ትግራይ ነዛ ከተማ ምቁጽጻሮም ናብ ኣምሓራ ደፊኦም ንምእታው ተኽእሎ ዝፈጥረሎም ዓብዪ ዓወት ኮይኑ፡ ክልላት ኣምሓራን ዓፋር ሓደሽቲ መዋግኢ ስፍራታት እቲ ትሸዓተ ኣዋርሕ ኣቝጺሩ ዘሎ ኲናት ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት መንግስቲ ፌደራልን ኮይነን ኣለዋ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ እቲ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝጀመረ ኲናት ብ28 ሕዳር 2020 ሓይልታት ፌደራል ንከተማ መቐለ ምስ ተቖጻጸሩ ከም ዝተወድአ ካብ ዝገልጽ ሸሞንተ ኣዋርሕ ተቖጺሩ። ድሕሪ ሸውዓተ ኣዋርሕ ግን ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ከም ዝስሓበን ሕርሻዊ ማእቶት ዝካየደሉን ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ምቹእ ኩነታት ንምፍጣርን በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ከም ዝገበረ ኣዊጁ። ይኹን'ምበር፡ ዓለምለኻዊ መራኸብቲ ብዙሃን ሓይልታት ትግራይ ንርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ከም ዝተቖጻጸሩዋ ዘረጋግጹ ጸብጻባት ምስ ኣውጽኣ'ዩ እቲ ምቁራጽ ተጻብኦ ተኣዊጁ። ድሕሪኡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሙሩኻት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ቀንዲ ጎደናታት መቐለ ተራእዮም። ህወሓት ድማ እቲ መንግስቲ ዝኣወጆ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ንምቕባል ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ካብ ትግራይ ወጺኦም ናብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ቦትኦም ይመለሱ፣ ኣብ ትግራይ ዝተቛረጹ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ኤሌክትሪክ፣ ቴሌፎንን ባንክን ናብ ንቡር ይመለሱ ዝብሉ ዝርከቡዎም ቅድመ ኩነት ኣቐሚጡ። ድሕሪ ምትሓዝ መቐለ፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ መዋስንቲ ከባቢታት ኣምሓራን ዓፋርን ብምድፋእ ኣንጻር ኣብ ጎኒ መንግስቲ ፌደራል ተሰሊፎም ዝዋግኡ ዘለው ሓይልታት መጥቃዕታት ክፍጽሙ ከም ዝጀመሩ ገሊጾም። ኣብቲ ዝሓለፈ፡ ኣብ ልዕሊ ብክልል ዓፋር ዝሓልፋ ዝነበራ ረድኤት ዝጽዓና ቃፍላይ መካይን ፕሮግራም መግቢ ዓለም መጥቃዕቲ ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ መንግስቲ ሓይልታት ትግራይ ዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ከም ዝኾነ ይገልጽ። ውድብ መግቢ ዓለም ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ'ኳ እንተኣረጋገጸ፡ ብመን ተፈጺሙ ዝብል ካብ ምግላጽ ግን ተቖጢቡ። ሓይልታት ትግራይ እቲ ብዓፋር ዝገብሩዎ ዘለው ወተሃደራዊ ግስጋሰ፡ ነቲ ልዕሊ 85 ሚኢታዊት ኣታውን ወጻእን ንግዲ ኢትዮጵያ ዝሳለጠሉ መስመር ንግዲ ኢትዮጵያን ጅቡትን ብምቁጽጻር ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፌደራል ጸቕጢ ንምሕዳር'ዩ ይብሉ። ብኻልእ ወገን እቲ ብሸነኽ ኣምሓራ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ነቲ ካብ 1990ታት ጀሚሩ ንክልቲአን ክልላት ዘሰሓሕብ ቦታታት ንምቁጽጻር'ዩ ዝብሉ ኣለው። ኣባል ማእከላይ ኮማንድ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ኣብ ዝሓለፈ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዕግታ ንክልዓል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፌደራል ጸቕጢ ንምፍጣር'ዩ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። ምድፋእ ሓይልታት ትግራይ፡ ካልኦት ክልላት ሓይልታተን ኣዋዲደን ኣንጻሮም ክዋግኣ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝቐረበለን ጻውዒት ክቕበላ ገይሩ'ዩ። ኣሽሓት መናእሰይ ድማ \"ብፍቓዶም\" ነቲ ጻውዒት ተቐቢሎም ንሰራዊት ምክልኻል ዘለዎም ድጋፍ ገሊጾም'ዮም። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣቶ ኣገኘሁ ተሻገር'ውን፡ መናእሰያት እቲ ክልል ናብ ሓይልታት ፌደራልን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ክጽምበሩ ጸዊዑ'ዩ። ይኹን'ምበር እዚ ሃገራዊ ምልዕዓል፡ እቲ ኣብ ክልላት ኦሮሚያ፣ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ ሶማሊያን ዓፋርን ዘሎ ዓሌታዊ ግጭታት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብታ ሃገር ሃጓፍ ጸጥታን ድሕነትን ከይፍጠር ስግኣት ኣሕዲሩ'ዩ። እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኣብ እዋን ክራማት ብምዃኑ ኣብታ ሃገር ነቲ ቐንዲ ናይ ዘርኢ ወቕቲ ከይጸልዎ ይስጋእ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ልዕሊ 5.2 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት የድልዮም ይብል። ኤጀንሲታት እቲ ውድብን ካልኦት ትካላት ሰብኣዊ ረድኤትን'ውን ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ እቲ ክልል ኣብ ኣፍ ዓጸቦ ከም ዝርከብ የጠንቅቑ። ይኹን'ምበር ሰብ መዚ መንግስቲ ፌደራል ነዞም መጠንቀቕታታት ኣይቕበሉዎምን። ብ24 ሰነ 2021 ዓ.ም ብቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተመሓላለፈ ቃለ መጠይቕ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ትግራይ ዓጸቦ ኣሎ ዝብሉ ጸብጻባት \"ፕሮፖጋንዳ'ዮም\" ክብል ነጺጉዎም። ሓይልታት ትግራይ ናብቲ ክልል ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ምብጻሕ ጸገማት ይፈጥሩ ኣለው ክብል ድማ መንግስቲ ይኸስስ። ብ4 ነሓሰ 2021፡ ኣብ ክሊ እቶም ዘለው ጸገማት 157 ረድኤት ዝጽዓና መካይን ናብ መቐለ ክኣትዋ ክኢለን ምባሉ'ውን ይዝከር። ዳይሬክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዴቪድ ቤስለይ ብወገኑ 175 ረድኤት ዝጽዓና መካይን ናብ መቐለ ከም ዝኣተዋ ክገልጽ እንከሎ፡ ነቲ ህጹጽ ረድኤት መግቢ ዘድልዮ ህዝቢ ንምብጻሕ ግን መዓልታዊ 100 ረድኤት ዝጽዓና መካይን ክኣትዋ ከም ዘድሊ ብትዊተር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ሓቢሩ። \"ሕጂ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሙሉእ መገዲ ክኽፈትን ተወሳኺ ገንዘብን ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ ተጻብኦታት ደው ክብሉ ንደሊ\" ክብል ተላብዩ። ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሚኒስትሪ ሰላም ሙፈሪያት ከሚል ምስ ሓላፊት ትካል ሰብኣዊ ሓገዝ ኣመሪካ [ዩኤስኤይድ] ሳማንታ ፓወር ኣብ ዝነበራ ጻንሒት መንግስቲ ናብ ትግራይ ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ዓቕሚ ኣለዎ'ዩ ምባላ ይዝከር። ማሕበረሰብ ዓለም ግን ሕጂ'ውን ኩሎም ወገናት ተጻብኦታት ጠጠው ከብሉን ዘይተገደበ መገዲ ምብጻሕ ሰብኣዊ ረድኤት ክኽፈትን ይጽውዑ ኣለው። እንተኾነ፡ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ምንቅስቓስ ሓይልታት ፌደራልን መላፍንቶምን ዓሌታዊ ጎነጻት ክጉሃሃሩን ኲናት ሓድሕድ ከይፍጠርን ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ። ክልቲኦም ወገናት ኣፈላላዮም ብልዝብ ክፈትሑ ጻውዒት ክቐርብ እንከሎ፡ ኢትዮጵያ ሱዳን ንምትዕራቕ ዘቕረበቶ ሕቶ ነጺጋቶ ኣላ። ኣብ ጎኒ ሰራዊት ፌደራል ዝዋግኡ ዝነበሩ ሰራዊት ኤረትራ'ውን ሕጂ'ውን ካብ ትግራይ ከም ዘይወጽኡ ይግለጽ ኣሎ። ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ወገናት ኣብ ትግራይ ከበድቲ ገበናት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸሙ ይኽሰሱ። እዚ ኣብተን ሓድሽ ኲናት ዝሰፍሐለን ዘሎ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን'ውን ከይድገም ዓብዪ ስግኣት ሓዲሩ ኣሎ። ብተመሳሳሊ እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ካብ ትግራይ ሓሊፉ ሚልዮናት ንጥምየት ከየቃልዖም ይስጋእ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58142473"} {"headline":"ሰብኣዊ ቅልውላው ትግራይ ዘሻቕል ኮይኑ ከምዝቐጸለ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ","content":"ቅድሚ ዓሰርተ ወርሒ፡ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ናብ ጎረባብቲ ክልላት ምልብዑ ስዒቡ፡ ኣብ ምብጻሕ ሰብኣዊ ረድኤት ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዘሕደረ ዝገለጸ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ “ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ዘሻቕል ኮይኑ ቀጺሉ’ሎ” ኢሉ። ኣብቲ ክልል ዝለዓለ ሕጽረት መግብን ጥረ ገንዘብን ከምዘጋጠመ፣ ዋጋ መግብን ካልኦት መሰረታዊ ሸቐጣትን ብዝለዓለ ኩነታት ከምዝወሰኸ መግለጺ እቲ ኮሚሽን ኣመልኪቱ። “ቀረብ ነዳዲን ኣገልግሎት መጓዓዝያን ውሱን ስለዝኾነ ሰባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንምንቅስቓስ ከምዝተጸገሙ ተገንዚበ” ብምባል ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ገሊጹ። ስለዝኾነ እዚ ጉዳይ ዝምልከቶም ኩሎም ወገናት እቲ ናብ ሲቪላት ዝቐርብ ሰብኣዊ ረድኤት ከይተዓናቐፍን ክመሓየሽን ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ ክገብሩ ጸዊዑ’ሎ። “ኣብ ገለ ከባብታት እቲ ክልል ዝተወሰነ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ከምዝተመልሰን፤ ዋላ’ኳ ኔትወርክ እንተዘይሃለወ ካብ ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ ብመሰረት ዝተወሃበ መምርሒ ግን ኣብ ገለ ጨንፈራት ባንኪ ውሱን ኣገልግሎት ይወሃብ ከምዘሎን ተገንዚብና” ክብል ሓቢሩ። \"ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ\"፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ከባቢታት ማይ ቅነጣል፣ ቆላ ተምቤን፣ ጣንቋ ምላሽ፣ ሓውዜን፣ ሰላዋ፣ እንዳ መኾኒ ከምኡ'ውን ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ኢሉ ኣብ ዝረቑሐን ቦታታት 150 ሰባት ብሰንኪ ጥሜት ሞይቶም ምባሉ ዝዝከር እዩ። ኣብታ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ኣብ ኩነታት ዓጸቦ ከምዝርከቡ ዝንገረላ ትግራይ፡ ንረድኤት ዝተዳለወ ቀረባት ካብ ዝውዳእ ክልተ ሰሙን ከምዝኾኑ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣተሓባባሪ ግራንት ሌይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምሕባሩ ይዝከር። ንሱ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ሓገዛት ሰብኣዊ ረድኤት ምቕራብ ከምዘይተኸኣለ፣ ሕጽረት ነዳድን ጥረ ገንዘብን ብምህላዉ ድማ ከቢድ ቅልውላው ከስዕብ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ነይሩ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ረድኤት ዝጸዓና 100 መኻይን ናብ ትግራይ ከተማ መቐለ ከምዝኣተዋ ገሊጹ'ሎ። ረድኤት ከይሓልፍ ይኽልክል ኣሎ ተባሂሉ ብትካላት ረድኤት ዝንቀፍ መንግስቲ ፌደራል፤ ንሱ ብወገኑ፡ ንሓይልታት ትግራይ ዕንቅፋት ኮይኖም ኢሉ ይኸስስ። ማእርሰቲ ተጋሩ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ብዝዛመድ፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ “ብገበን ጠርጢርናዮም” ብዝብል ኣካላት ጸጥታ ካብ ሞንጎ ዝኣሰርዎም ተወለድቲ ትግራይ ብዙሕ ጥርዓናት ከምዝበጽሖ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። እቲ ጥርዓን ካብቶም ትካላቶም ዝተዓጸዎም ተወለድቲ ትግራይ እውን ከምዝቐረበ ዝጠቐሰ እቲ ኮሚሽን ብመሰረት እቶም ጥርዓናት ኣብ ክልተ ክፍለ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ ትኹረት ዝገበረ ክትትል ከምዝገበረ ገሊጹ። እቶም ትካላት ንግዲ ‘ደንቢ ብምጥሓስን ብገበን ስለዝተጠርጠሩን’ ብዝብል ከምዝተዓጸዉ ብምጥቃስ እዚ ከኣ ሓድሽ ዝቖመ ግብረ ሓይሊ ክትትልን ቁጽጽርን ዘይሕጋዊ ንግድን ኮንትሮባንድን ብዝሃቦ ውሳነ ከምዝተፈጸመ ኣነጺሩ። እንተኾነ “ብዙሓት ወነንቲ እቶም ትካላት ብዝተጠርጠሩሉ ገበን ወይ ጥሕሰት ደንቢ ውሳነ ስለዘይተወሃቦም እቶም ትካላት ንነዊሕ እዋን ተዓጽዮም ክጸንሑ ተገይሩ’ሎ” ኢሉ እቲ ኮሚሽን። “ስለዝኾነ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ፖሊስን ካልኦት እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም መንግስታዊ ኣካላትን ነቲ ስራሕቲ ምጽራይ ብምቅልጣፍ መዕለቢ ክገብሩሉ ይግባእ” ክብል ኣተሓሳሲቡ። “ካብ ሞንጎ ዝተኣሰሩ ተወለድቲ ትግራይ ገሊኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባን ክልል ዓፋርን ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ፖሊስን ወሃደራትን ከምዝተወሰዱ፤ ምስ ቤተሰብ ኮነ ጠበቓታቶም ከምዘይተራኸቡን ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቐረቡ ፈሊጥና’ለና” ኢሉ። ብዝኾነ ይኹን ዓይነት ገበን ተጠርጢሩ ዝተትሓዘ ሰብ ብሕጋዊ መገዲ ጥራይ ክተሓዝን ኣብ ውሽጢ ውሱን ገደብ ጊዜ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብን ከምዝግባእ ድማ ኣዘኻኺሩ።ቅድም ክብል፡ ብተጋሩ ዝንቀሳቐሱ ትካላት ንግዲ ምዕጻው ዝሓወሰ ማእሰርትን ግፋን ፡ ኣብ ዝተፈለላለዩ ከባቢታት እታ ከተማ ይፍጸም ምህላው እቶም ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም ምንባሮም ይዝከር። መንግስቲ ምስ ህወሓት ርክብ ዝፈጥሩ 'ምበር ብመንነቱ ዝተኣስረ የለን ዝብል ምላሽ እዩ ዝህበሉ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58534845"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ናብራ ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርነትን ኣብ ዘይብላ ትግራይ","content":"ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ኣገልግሎታት መብራህቲ፣ ስልኪ፣ ባንክን መጓዓዝያን ካብ ዝቋረጹ ክልተ ወርሒ ገይሩ'ሎ። ሓይልታት ትግራይ ብ28 ሰነ 2021 ዓ.ም ኣማስዩ ሃንደበት ንርእሰ ከተማ ትግራይ ዝኾነት መቐለ ተቖጻጺሮምዋ። ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት፡ መንግስቲ ፌደራል ምቁራጽ ተጻብኦ [በይናዊ] ኣዊጁ ካብታ ከተማ ይኹን ካልኦት ከባቢታት ትግራይ ከም ዝወጽአ ክገልጽ እንከሎ ኩሎም መሰረታዊ ኣገልግሎታት ሙሉእ ንሙሉእ ተቋሪጾም። ድሕሪ'ዚ ብልክዕ ኣብታ ከተማ ይኹን ካልኦት ቦታታት እቲ ክልል ዘሎ ማሕበራዊ ኩነታት ዘለወሉ ኩነታት ንምፍላጥ ዘኽእል ሓበሬታ ምርካብ ኣጸጋሚ ኮይኑ'ሎ። ገለ ውልቀሰባት ግን ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርነትን ክረኽብሉ ናብ ዝኽእሉ ከባቢ ዓፋር ጽግዕ ኢሎም ከምኡ'ውን ኣብ ገለ ቤት ጽሕፈታት ትካላት ወሃብቲ ረድኤት ኢንተርነት ንዝረኽቡ ሰባት መልእኽቲ ንከብጽሑሎም ሓቲቶም ውሱን ሓበሬታ ክህቡና ክኢሎም ኣለው። መብዛሕትኡ ኣብ ገጠርን ከተማን ዝነብር ሕብረተሰብ ትግራይ ናይ ስልኪ፣ መብራህትን ማይን ተጠቃማይ ስለ ዝነበረ፡ ኣብዝሓ መነባብርኡ'ውን ኣብዞም ኣገልግሎታት ጽግዕተኛ ኮይኑን ተላሚዱን ጸኒሑ'ዩ። ሕዚ ብምኽንያት'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብታ ክልል ዝተጀመረ ኲናት፡ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል እቲ ክልል እቶም ኣገልግሎታት ተቛሪጾም ብምህላዎም ሰባት ብውሑድ ድሃይ ሓድሕዶምን ካብቲ ክልል ወጻኢ ዘለው መቕርባቶምን ንምትሕታት ኮነ ስሩዕ ስርሖም ንኽሳልጡ ከም ዝተጸገሙ ይዛረቡ። ፊልሞን ብርሃነ ኣብ ኢንተርነት ብዝተሞርኮሰ ናይ ብሕቲ ስረሓት እዩ ዝመሓደር። እንተኾነ ንዝሓለፉ ትሸዓተ ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ብምኽንያት ኲናት ዝተቛረጸ ኣገልግሎት ኢንተርነት ናብ ንቡር ብዘይምምላሱ \"ክሳብ ሕጂ ቦዂረ ኣለኹ\" ብምባል ነቲ ስራሕ ጠጠው ዘበለሉ ኩነታት ይገልጽ። ወሲኹ፡ \"ብዘይምግናን ፍርቂ መዓልቲ ዳርጋ እናተኣላለሽና እዩ ዝውዳእ\" ብምባል ከም ቀደም ኣብ ድላይካ ምርኻብ ዝከኣል ከም ዘይኾነ የብርህ። ካብዚ ብዝብገስ ንሱን መሓዙቱን ሓደ መፍትሒ ዝኾነና ዝበሉዎ መገዲ ኣናድዮም። በዚ መሰረት ንስራሕ ይኹን ንዕረፍቲ ሻሂ ቡን ንምባል ንክራኸቡ መልእኽቲ ዝገድፉላ ሓንቲ 'ማእከል ሓበሬታ' ዝብሉዋ ካፌ መሪጾም። \"ኣብኣ መልእኽቲ ንሓድግ፤ ቐዲሙ ዝመጽአ ሰብ መልእኽቲ ኣለኒ'ዶ ኢሉ ይሓትት። ብኻልእ ወገን ምስ መሓዙትና ይኹን ንስራሕ ሰብ ክንረክብ እንተኾይንና 'በዚ መዓልቲ . . . ኣብዚ ሰዓትን ቦታን ንራኸብ' ኢልና ቖጸራ ንሕዝ\" ክብል ነቲ ኩነታት የረድእ። እቲ ናብራ ብቐንዱ ንቐረባት መብራህቲ፣ ቴሌፎንን ኢንተርነትን ዝጠልብ'ዩ ነይሩ እትብል ወይዘሪት ሳሌም ብወገና፡ ሕጂ ኣብዝሓ ስራሕቲ ተወንዚፉ ምህላው ትዛረብ። \"መማረጺ ስለ ዘየለ፡ መብራህቲ የላን ኢሉ ብዙሕ ዘማርር የለን። ካብኡ ወጻኢ ሰብ ብቖጸራ'ዩ ዝራኸብ፤ ሎሚ ክራኸብ እንከሎ ነቲ ዝቕጽል መዓልቲ ይቋጸር ማለት'ዩ\" ትብል። ብፍላይ ካብ ትግራይ ወጻኢ ምስ ዘለው ኣባላት ስድርኦምን መቕርባቶምን ብቐጥታ ክራኸቡ ስለ ዘይኽእሉ ካብታ ከተማ ውጽእ ኢሎም፡ ናብ ከባቢ ደቡብ ትግራይ ዝርከባ ገለ ከባቢታት ወይ'ውን ምስ ክልል ዓፋር ናብ ዘዋስኑ ከባቢታት ብምኻድ ድሃይ ይገብሩ። ወይ'ውን ኣብቶም ትካላት ወጻኢ ዝርከብሉ ቤት ጽሕፈት ብምኻድ መልእኽቲ ከብጽሐሎም ንዝኽእል ሰብ ጽሑፍ ጽሒፎም፣ ድምጾም ቀዲሖም ክልኣኸሎም ይገብሩ። ሓደ ሽሙ ክንረቑሖ ዘየፍቀደ ሰራሕተኛ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝኾነ ውልቀሰብ፡ ነቲ ተግባር ካብ ሞንጎ ዝተሓጋገዙ ሰባት ምዃኑ ይገልጽ። \"ንኣዋርሕ ምስ ኣባላት ስድርኦም ዝተፈላለዩ ኣለው፤ ስሕት ኢለ ኢንተርነት ናብ ዝረኽበሉ ቦታ ክኸይድ ከለኹ፡ 'ደሓን ዲኹም' ዝብል ናይ ብዙሓት ብቐረባ ዝፈልጦም ሰባት መልእኽቲ ሒዘ ይምለስ፤ በብቦትኡ እናተዛወርኩ ከኣ ነተን ዝተቐበልኩወን የብጽሕ፤ መሊሰ ካብኣቶም'ውን መልእኽቲ 'ድሓን ኢና' ይቕበል። እንታይ ድኣ ክንገብር?\" ብምባል እቲ ጸገም ኣዝዩ ከቢድ ከም ዝኾነ ሓቢሩ። ምላዛት፡ ሓንቲ ካብተን ገለ ሰባት ካብ መቐለ ውጽእ ኢሎም ስልኪ ዝድውሉላን 'ድኹም' ኢሎም ዝገልጹዎ ናይ ስልኪ ኔትዎርክ ዘለዋን ከባቢ'ያ። እዚ ካብ መቐለ ኣስታት 30 ኪሎ ሜትሮ ንኣንፈት ምብራቕ ዝርከብ ከባቢ እዩ። እዚኣ ኣብ ክልል ዓፋር ዘሎ ኔትዎርክ ዝበጽሓ ንኡሽቶ ከባቢ ምዃና ይግለጽ። ዳዊት ግርማይ ካብታ ሃገር ወጻኢ ንዝርከብ ምንኣስ ሓው ድሃይ ንምግባር ክልተ መዓልቲ ተመላሊሱ ቴሌፎን ዝሰርሐሉ ኔትዎርክ ምርካቡ ይዛረብ። \"ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዘሎ ጎልጎል ብዙሕ ሰብ ከፍ ኢሉ ኢኻ ትርእዮ። ናይ ውልቂ መኪና ዝሓዘ'ውን ኣብ መኪንኡ ኮይኑ ዳርጋ ፍርቂ መዓልቲ ኔትዎርክ ክሰርሐሉ ክጽበ ይውዕል። ሰብ'ውን ስለ ዝበዝሕ ይመስለኒ እቲ ኢንተርነት ኮነ ስልኪ ድኹም'ዩ። ኣነ ሸሞንተ ሰዓት ተጸብየ ሰሪሑለይ 'ድሓን ኣለና' ኢለ ንሓወይ ድሃይ ገይረ\" ክብል ነቲ ኩነታት ገሊጹዎ። እቲ ኣብታ ከባቢ ኣሎ ዝብሃል ኔትዎርክ ስልኪ ንክሰርሕ ነዊሕ ሰዓታት ከም ዝወስድ፣ ብዙሕ ሰብ ቴሌፎን ክፍትን ከም ዝውዕል፣ ከይድኻ'ውን ከይሰለጠካ ክትምለስ ከም እትኽእል ዳዊት ኣውጊዑና። \"ኩሉ ሰብ ዕላምኡ ሓንቲ እያ፤ በቃ 'ድሓን ኢና . . . ኣይትጨነቑ' ካብ ምባል ወጻኢ ካልእ ዕምቆት ዘለዎ ነገር ክትዘራረብ ዘኽእል ኣይኮነን፤ እቲ ስልኪ መዓዝ ከም ዝሰርሕ'ውን ስለ ዘይትፈልጥ ኣብ ዝደለኻዮ እዋን ኣይሰልጠካን። ድምጺ ስድራቤትኻ ምስማዕኻ ደስ ስለ ዝብለካ እምበር ቐሊል ኮይኑ ኣይኮነን\" ኢሉ። ሕጂ ብዙሓት ኔትዎርክ ስልኪ ኣሎ ዝሰምዑ ሰባት ናብቲ ከባቢ ብምኻድ'ዮም መልእኽቲ ዝቕበሉን ዘብጽሑን። ካብዚ ወጻኢ ኣገልግሎት ባንኪ ተዓጽዩ ብምህላው ገንዘብ ክቕበሉ ኣይኽእሉን፣ መብራህቲ ስለ ዘየሎ ድማ ዝበዝሕ ስራሕ ጠጠው ኣቢሉ ኣብ እንዳ ቡን ከፍ ኢሉ ከም ዝውዕል ትዕዝብቶም ዘካፈሉና ሰባት ገሊጾም። እዚ ኣብ መላእ እቲ ክልል ተመሳሳሊ ኮይኑ ካብታ ርእሰ ከተማ ወጻኢ ዘሎ ህዝቢ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከም ዘሎን ብኸመይ ከም ዝራኸብን ሓበሬታ ንምርካብ ኣጸጋሚ ኮይኑ'ዩ። ኣብ ውቕሮ፣ ኣጉላዕ ዝበላ ከተማታት ዝነብሩ ሰባት ግን ናብ መዋስንቲ ከባቢታት ዓፋር ብምኻድ ናብ በሪኽ ቦታ ወጺኦም ድሃይ ከም ዝገብሩ ሰሚዕና። እዚ ነቶም ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ሰብኣዊ ረድኤት ዘብጽሑ ትካላት ወጻእን ሰራሕተኛታቶምን'ውን ዓብዪ ግድል ኮይኑ ምህላው ይግለጽ። ካብዚ ብዝብገስ ማሕበረሰብ ዓለምን ትካላት ሰብኣዊ ረድኤትን፡ ነቲ ኣብቲ ክልል ተቛሪጹ ዘሎ ኣገልግሎታት ኢንተርነት፣ ስልኪ፣ ባንኪ፣ መብራህትን መጓዓዝያን ናብ ንቡር ክምለስ ይሓቱ። ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ ነዞም ኣገልግሎታት ሓዊሱ መንግስቲ ፌደራል \"ኣብ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ዕግታ\" ክሳብ ዘልዕሎ ኣንጻር ሰራዊት ፌደራልን ኣብ ጎኑ ዝተሰለፉ ሓይልታትን ዝፍንውዎ መጥቃዕቲ ጠጠው ከም ዘየብሉ ይገልጹ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዘዘራረብናያ ፈጻሚት ስራሕ ኢትዮ-ቴሌኮም ፍረ-ህይወት ታምሩ ብምኽንያት እቲ ግጭት ዝዓነው ትሕተ ቕርጺ ብምጽጋን ዳግም ንተጠቀምቲ ኣገልግሎት ዝህብሉ ምቹእ ኩነታት ይጽበዩ ምህላዎም ገሊጻ። \"ኣብቲ ከባቢ ጎንጺ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ ቐዲምና ኣቲና ጸጊንና ኣገልግሎት ክወሃብ ገይርና ኢና፤ ሕጂ ግን እቲ ጎንጺ ካብቲ ክልል ወጺኡ ካልኦት ጸገማት ተፈጢሮም ኣለው። በዚ ስሩዕ ስራሕና ክንቕጽል ኣይክኣልናን። ስለዚ ዓማዊልና ኣገልግሎት ንክረኽቡ እቲ ኩነታት ክሳብ ዝመሓየሽ ንጽበ ኣለና\" ኢላ። መንግስቲ ፌደራል ብወገኑ፡ ቅድም ክብል ኣብቲ ክልል ምቁራጽ ተጻብኦ [በይናዊ] ኣዊጁ ሰራዊቱ ካብቲ ክልል እኳ እንተስሓበ ህወሓት ግን መጥቃዕታት ቐጺሉ ነቲ ቅልውላው ብምዕራግ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከም ዝልሕም ገይሩ ክብል ይኸስስ። ኣብዚ ሰሙን ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ ምስ ቢቢሲ ሃርድ ቶክ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ ኣብ ምዕጻው መሰረታዊ ኣገልግሎታት ተዋፊሩ ይርከብ፤ ስለ ምንታይ ነቲ ዕግታ ዘይተልዕሉዎ ተባሂሉ ተሓቲቱ ነይሩ። እቲ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ነቲ ኣገልግሎት ከዐርዩ ዝኽእሉ ትካላት ሰራሕተኛታቶም ኣብ ትግራይ ከም ዘለው ብምግላጽ እንተኾነ ብዙሓት ሰራሕተኛታቶም ተቐቲሎም፤ ግዳይ መጥቃዕቲ ከም ዝኾኑ ገሊጹ። \"ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ዝፍጽሞ መጥቃዕቲ እናቐጸለ ከኣ እቲ ስራሕ ክስራሕ ኣይኽእልን። ነቲ ዘቕረብናዮ ምቁራጽ ተኹሲ እንተዝቕበልዎ ነይሮም'ውን እቲ ኩነታት ምተለወጠ ነይሩ\" ኢሉ። ንርእሱ ሕጋዊ መንግስቲ ትግራይ'የ ኢሉ ዝጽውዕ ኣካል ብወገኑ፡ እቶም ኣገልግሎታት ኮነ ተባሂሎም ብመንግስቲ ፌዴራል ከም ዝተቋረጹን፡ እቲ ዕጽዋ ክሳዕ ዝኽፈት ሓይልታት ትግራይ ቃልሲ ከም ዝቅጽሉን ይገልጽ። እቲ ናብራ እናኸበደ፣ ኣብ ገለ ዋጋ ሸቐጣ'ውን ልዕሊ ክልተ ዕጽፊ ወሰኽ ብምህላዩ፣ ስራሕን ደሞዝን ከምኡ'ውን እኹል ቐረብ ነዳዲ ብዘይምህላዩ፣ ህወይት ኣዝዩ ከም ዝኸበደ እቶም ወሃብቲ ርኢይቶ ይገልጹ። ቐረብ ማይ ካልእ ዓብዪ ጸገም እታ ከተማ ኮይኑ፡ ብሰንኺ ጸገም ጽርየትን ሕጽረት ማይን ዝለዓሉ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ከይኽሰቱ ስግኣት ከም ዘለዎ ይዛረቡ። \"ምስቲ ገንዘብ ዘይምህላው ብዙሓት ነገራት ተጠለብቲ ኣይኮኑን\" ዝበለት ሳሌም፡ \"ከም ወትሮ መቐለ ዓብዪ ጸገማ ማይ'ዩ፤ ሓሓሊፉ ብመኪና ይቐርብ እዩ። እንተኾነ ክረምቲ ስለ ዝኾነ ንማይ ክረምቲ ከም ኣማራጺ ስለ እንጥቀም ኣይተፈለጠናን\" ብምባል ትገልጾ። ብኻልእ ወገን፡ እቲ ነባራይ ዕንጸይትን ፈሓምን ከም መማረጺ ስለ ዝጥቀም ከኣ ኣብ ዋጋ ዕንጸይቲ ልዑል ወሰኽ ምህላዩ ይግለጽ። ካብ ሃለኽቲ መግቢታት ኣብ ዘይቲ ምኽባር ዋጋ ክርኣይ እንከሎ፡ ኣብያተ ብልዒ ናይ ዋጋ ወሰኽ ገይሮም ኣለው። ካብቲ ዘሎ ሕጽረት ነዳዲ ብዝብገስ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝህባ ታክስን ካልኦትን ከም ዘየምስያ፣ መብራህቲ ብዘይምህላዩ ድማ ድኳናት ቐልጢፎም ስለ ዝዕጸው እታ ከተማ [መቐለ] ብኣጋ ጭር ከም እትብል እቶም ዝረኸብናዮም ሓበሬታታት የረድኡ። ሽማ ክጥቀስ ፍቓደኛ ዘይኮነት ሓንቲ ወሃቢት ርኢይቶ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ዋጋ ሓደ ሊትሮ ዘይቲ 500 ብር፣ ዋጋ ሓደ ኩንታል ጣፍ ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕ ብር ከም ዝኾነን ሓደ ሊትሮ ነዳዲ ብ200 ብር ይሽየጥ ምህላውን ተዛሪባ። ብምኽንያት እቲ ኣብ ዋጋ መግቢታት ዘሎ ወሰኽን ሕጽረት ገንዘብን እቲ ኣነባብራ ንሓድሕድኻ ብምትሕግጋዝ'ዩ ዝድፋእ ዘሎ ዝበለት ኮይና፡ ዝብላዕ ዝስእኑ ሰባት ምህላዎም'ውን ገሊጻ። \"ጸብሒ ስኢኑ ጥርሑ እንጀራ ዝበልዕ ጎረቤት'ዩ ዘለና፤ ገንዘብ ካብ ደገ ዝጽበዩ ዝነበሩ፣ ጠዋሪ ዘይብሎም ገንዘብ ክረክቡ ብዘይምኽኣሎም ብዙሓት ንሓደጋ ተቓሊዖም'ዮም። ብኹርማን እንጀራ ትሓድር ነብሲ ሒዝካ'ዩ ናብራ ዝድፋእ ዘሎ፤ ሰብ ኣብ ገዛ ተዓጽዩ ሰአን መግቢ ይመውት ኣሎ ከይብሃል'የ ዝሰግእ\" ብምባል ብምረት ተዛሪባ። ነዚ ከይኮነ ኣይተርፍ ፊልሞን ብርሃነ \"ልመና ይበዝሕ ኣሎ፤ ናበይ ከም ዘምርሕ ከኣ ፍሉጥ'ዩ\" ብምባል ስግኣቱ ዝገልጽ። ኣብቲ ክልል ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ንሓደጋ ዓጸቦ ከም ዝተቓልዑ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣመሓዳሪት ዓለምለኻዊ ኤጀንሲ ምትሕብባር ልምዓት [ዩኤስኤኣይዲ] ሳማንታ ፓወር፡ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ወሃብቲ ረድኤት መኽዝኖም ጥርሑ ክብሃል ኣብ ዝኽእል ብርኪ ከም ዝርከብ ገሊጻ'ያ። ስለ ዝኾነ ድማ ህይወት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ንምድሓን ብቕልጡፍ ቀረብ ረድኤት ናብ ትግራይ ክኣቱ መንግስቲ ብህጹጽ መገዲ ክፈቅድ ኣለዎ ክትብል ሓቲታ። 'ፖሊስ ይኹን ትራፊክ የለን' ሰራዊት ፌደራል ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ንከተማ መቐለ ኣብ ዝተቖጻጸርሉ ግዜ፡ ንሸውዓተ ኣዋርሕ ኣዋጅ እቶ እቶ ተኣዊጁ ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ክሳብ ሽረን ማይጨውን ብምኻድ ኣብ መስመራት ዓድዋ፣ ኣኽሱም፣ ዓድግራት፣ ተምቤንን ካልኦትን ዘለዋ ከተማታት ከም ዝተዓዘበት እትገልጽ ሳሌም፡ \"ህዝቢ ልዕሊ ምቁራጽ እዞም መሰረታዊ ኣገልግሎታት ንሰላም ዋጋ ዝሃበ ይመስል\" ኢላ። ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ ምስቲ ግጭት ብዝተሓሓዝ ካብን ናብን ምንቅስቓስ ከቢድ'ኳ እንተነበረ ሕጂ ግን ዝበዝሕ ከባቢታት ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ሓይልታት ትግራይ ስለ ዝኾነ 'ጽቡቕ ምንቅስቓስ' ኣሎ ትብል። \"ቅድሚኡ ሰብ ይኹን እንስሳ ዘይርኣየሎም ጽርግያታት ነይሮም። ጭር ካብ ምባሉ ዝተላዕለ ብሰንኪ እቲ ኲናት ሰብ ዝተረፈና ኣይመስልን ነይሩ፤ ሕዚ ግን ጽቡቕ ምንቅስቓስ ኣሎ፤ ሰላም የስተማቕር\" ብምባል ትዕዝብታ ተካፍል። ካብ ቀረባ ዓመታት ናብ'ዚ ኣብ መቐለ ኣዝዩ ዘሰክፍ ክትራንን ጸገም ጸጥታን ከም ዝዓሰላ ነበርቲ ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም። ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ ብዝጀመረ ኲናት ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት እቲ ክልል ዝነበረ ጸጥታዊ ምምሕዳራትን ኣገልግሎትን ክፈርስ እንከሎ፡ መቐለ ብስርቅን ክትራንን ትናወጽ ኣላ ክብሉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ዘዘራረብናዮም ሰባት ገሊጾም ነይሮም። ሕጂ ብኣንጻሩ ዝሃድአ ኩነታት ምህላው እቶም ዘዘራረብናዮም ሰባት ይገልጹ፤ እንተኾነ ብጭቡጥ እቲ ኩነታት እንታይ ከም ዝመስል ምርግጋጽ ኣይተኽኣለን። ሳሌም ግን፡ \"ሕዚ ብዛዕባ ክትራን ካብ ዝሰምዕ ነዊሕ ገይረ፤ ፖሊስ የለን ወረ ስርቂ'ውን ተሰሚዑ ኣይፈልጥን። ትራፊክ የለን፤ ናይ መኪና ሓደጋ ግን ኣይርኣኹን። ኩሉ ሰብ ንርእሱ ሓላፍነት ዝወሰደ ይመስል\" ትብል። \"መቐለ ከምዚ ሰላም ኮይና ርእየያ ኣይፈልጥን\" ዝብል ፊልሞን ብወገኑ፡ \"ክሳብ ሕዚ ዘጋጠመ ስርቂ ስለ ዘየለ ዝበጽሐኒ ጉድኣት የለን፤ ሰዓት እቶ እቶ'ውን ስለ ዘየለ ካልኣይ ወርሐይ መጓዓዝያ ኣይጥቀምን \"ኣብ ዝደለኹዎ ሰዓት'የ ዝንቀሳቐስ\" ኢሉ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/58317443"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ኣመሪካ ኩሎም ሓይልታት ካብቲ ውግእ ዘካይዱሎም ዘለው ቦታታት ክወጽኡ ጸዊዓ","content":"ኣብ ትግራይ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ንምብጻሕ ኩሎም ኣብቲ ንልዕሊ ትሸዓተ ኣዋርሕ ዘቑጸረ ውግእ ዝሳተፉ ዘለው ወገናት ተጻብኦታት ጠጠው ከብሉ ከም ዘለዎም ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ረድኤት [ዩኤስኤይድ] ሳማንታ ፓወር ገሊጻ። እቲ ግጭት ወተሃደራዊ ፍታሕ ከም ዘይብሉ ዝገለጸት ሳማንታ ኩሎም ሓይልታት ካብቲ ውግእ ዘካይዱሎም ዘለው ቦታታት ክወጽኡ ጸዊዓ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ክወጽኡ ኣለዎም ክትብል እንከላ፡ ሓይልታት ኣምሓራ’ውን ካብ ምዕራብ ትግራይ ክወጽኡ ኣለዎም ኢላ። ብተወሳኺ መንግስቲ ኤርትራ፡ ሰራዊቱ ብህጹጽን ንመወዳእታ ግዜን ካብ ኢትዮጵያ ከውጽኦም ከም ዘለዎም ኣመሪካ ትጽውዕ ክትብል ብትዊተር ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ ገሊጻ። ሃገራት ምዕራብ፡ እቶም ኣብ ኲናት ትግራይ ዝሳተፉ ዘለው ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ካብ ትግራይ ክወጽኡ ብተደጋጋሚ ጻውዒት ከቕርባ ጸኒሐን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሱዳን ምብጻሕ ተካይድ ዘላ ሳማንታ ፓወር ናብ ኢትዮጵያ’ውን ክትበጽሕ ትጽቢት ይግበር። ዩኤስኤይድ ንጉዕዞ እታ ሓላፊት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ኣብ ትግራይ ዓጸቦ ከየጋጥም ዝተማልአን ዘይተገደበን ሰብኣዊ ረድኤት ንክበጽሕ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ጸቕጢ ንምፍጣር እዩ” ምባሉ ይዝከር። ክሳብ ሕጂ ኣብ ሱዳን ኣብ ዘካየደቶ ትዕዝብቲ፡ ብምኽንያት እቲ ኲናት ተመዛቢሎም ኣብ ሱዳን ዕቑባ ዝሓተቱ ተጋሩ ከም ዘዘራረበት ተገሊጹ’ዩ። ዩኤስኤይድ ንኣስታት 46 ሽሕ ስደተኛታት ሓገዝ ዘቕርብ ዘሎ ኮይኑ፡ “እታ ኣመሓዳሪት ኣብ መዓስከር ኡም ራኩባ ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ኣዘራሪባ’ያ። ዕጡቓት ዝተፈጸሙዎ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ታሪኻት ጾታዊ ዓመጽ’ውን ሰሚዓ’ያ” ኢሉ። ሳማንታ፡ ኣመሪካ ንሰብኣዊ ረድኤት ዝውዕል ተወሳኺ 56 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ከም ዝገበረት ገሊጻ’ያ።","category":"ሰብኣዊ ሓገዝ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58084271"} {"headline":"ሓዳስ ኣይፎን 14 ንምዕዳግ ናብ ዱባይ ዝተጓዕዘ ህንዳዊ","content":"ሓደ ኣብ ደቡባዊ ህንዲ፡ ግዝኣት ኬራላ ዝነብር ሰብኣይ፡ ሓዳሽ ኣይፎን 14 ንምዕዳግ፡ ኣሽሓት ኪሎ ሜተራት ኣቋሪጹ ናብ ዱባይ ተጓዒዙ። ድሂራጅ ፓሊይል፡ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ወጻኢ ሃገር ተጓዒዙ፡ ኣይፎን 14 ፕሮ ዝገዝኣሉ ምኽንያት፡ ኣብ ዓለምና ነዛ ሓዳስ ስልኪ ካብ ዝውንኑ ቀዳሞት ውሑዳት ሰባት ሓደ ንምዃን ብምህቃን እዩ። ንትኬቱ 40 ሽሕ ሩፒ (500 ዶላር) ዘውጸአ ኾይኑ፡ 129 ሽሕ ሩፒ ሂቡ ድማ ነዛ ሓዳስ ሞዴል ዓዲጉ። ኣይፎን፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ኣዝዮም ዘበናውያን ‘ስማርትፎናት’ ምዃኖም ዝፍለጥ እዩ። ንፈለማ እዋን ኣብ 2007 ብኩባንያ ኣፕል ዝፈረየት ኣይፎን፡ ኣብ ቴክኖሎጂ ሞባይል ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተት ኮይና፡ ነቲ ኩባንያ ካብ ዘዐወቱ ቀንዲ ረቛሒታት እያ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ኣድነቕታ ነተን ድሒረን ዝመጽኣ ሞዴላታ ንምዕዳግ ብዙሕ ጻዕሪ ገይሮም እዮም - ብዙሓት ነታ ስልኪ ንምውናን ከም ምልክት ክብሪ ገይሮም'ውን ይቖጽርዎ። ሰባት ክፍሊ ኣካላቶም ሸይጦም ኣብታ ስልኪ ዝተዘርግሐትላ መዓልቲ፡ ኣብ ኣፍደገ ድኳናት ኣፕል ኣማኢት ሰዓታት ሪጋ ሒዞም ክጽበዩ ከምዝተርኣዩ ጸብጻባት ይሕብሩ። ወዲ 28 ዓመት ሚስተር ፓሊይል ድማ፡ ነዚ ነገር ሓድሽ ኣይኮነን - ሕዚ ንራብዓይ ግዜኡ እዩ ነታ ስልኪ ቀዲሙ ንምውናን ክብል፡ ናብ ዱባይ ዝገይሽ ዘሎ። ፈለማ ኣብ 2017፡ ኣይፎን-8 ኣብ ዝተዘርግሐትሉ እዋን ኮይኑ፡ ድሕሪኡ ኣብ 2019ን 2021ን ተመሳሰልቲ መገሻታት ገይሩ እዩ። ንሱ፡ መዓልታት ክጽበ ከምዘይደሊ ብምዝራብ፡ \"ካብቶም ቀዳሞት ነታ ስልኪ ዝረኽቡ ሰባት ንኽኸውን፡ ኣብ ኣፍ ደገ ድኳን ኣፕል ምጽባይ ዝፈጥረለይ ሓጎስ ፍሉይ እዩ\" ኢሉ። ሚስተር ፓሊይል፡ ኣብ ዱባይ ካብ ዝርከብ ድኳን ኣፕል፡ ብ16 መስከረም፡ እታ  ዳሕረወይቲ ዘመናዊት ዓይነት ኣይፎኑ ዓዲጉ ኣሎ። \"ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝነበረ ምዝርጋሕ ስልክታት ኣይፎን፡ መብዛሕትኡ ግዜ እተን ስልክታት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ድሕሪ ምሻጠን ድሕሪ 10-15 መዓልታት እየን ኣብ ህንዲ ንዕዳጋ ዝቐርባ። ኣብዚ ግዜ'ዚ ግን፡ ኣብ ህንዲ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ጥራይ እዩ መሸጣ ክጅምር ነይሩ። እንተኾነ ግን ሕጂ እታ ዳሕረወይቲ ስልኪ ኣብ ዱባይ መጺኻ ምዕዳግ ዳርጋ ወልፊ ኮይኑኒ ኣሎ\" ኢሉ። ሚስተር ፓሊይል፡ ሲነማቶግራፈርን ነጋዳይን ኰይኑ፡ ወትሩ ኣፍቃሪ ቴክኖሎጂ ከምዝነበረን ነቲ ኣብ 2011 ዝሞተ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣፕል ነበር ስቲቭ ጆብስ ዓቢ ኣድናቖት ከምዘለዎን ይዛረብ። ንሱ ወሲኹ \"እዚ መገዲ፡ ናቱ ብርተዐ ዝዝከረሉ ኣገባብ'ዩ\" ይብል። ሚስተር ፓሊይል፡ ስድርኡ ኣብ ፈለማ እዋን፡ ስለምንታይ ከምዚ ከም ዝገበረ ከምዘይተረድኦም ይዛረብ። \"ኣብ ክባር መጋየጺ ገንዘብ ኣባኺኑ ብምባል የላገጹለይ ነይሮም። እዚ ክቡር ፍርያት ምግዛእ ጥራይ ከምዘይኮነ ከረድኦም ፈቲነ\"። ኣብ መወዳእታ ግና ስድርኡ ክርድእዎን ክድግፍዎን ከምዝጀመሩ ይዛረብ። \"ብሓቂ፡ ሕዚ ንሳቶም እዮም ብዛዕባ ሓደስቲ ኣይፎን ምምጻእ ዝነግሩኒ፡ መዓስ ኢኻ ናብ ዱባይ ኬድካ ትገዝእ ኢሎምኒ\" ኢሉ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cn09zx45q8eo"} {"headline":"ኣብ ሙምባይ ዝርከብ ገዚፍ ጫካ ንምድሓን እትቃለስ ዘላ ህንዳዊት","content":"ኣብ ጥቓ ሙምባይ ዝርከብ ጫካ ኣረይ፡ ካብቲ ኣብ ማእከል ኒውዮርክ ዝርከብ ፓርክ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ዝዓበየ ኮይኑ ኣስታት 8 ሽሕ ደቀ'ባት ዝቕመጡሉ እዩ። እንተኾነ ግን ከባቢያዊ ምምሕዳር፡ ንመስርሒ መኽዘን መገዲ ባቡር ኢሉ ነቲ ጫካ ክቑረጽ ወሲኑ ነይሩ። ፕራሚላን ካልኦት ግዱሳትን ድሕሪ ዘካየድዎ ተቛውሞ ግና ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ምቑራጽ ኣግራብ ደው ክብል ኣዚዙ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3gdx83zx6po"} {"headline":"ሞት 66 ህጻናት ምስ ሽሮፕ-ሰዓል ህንዲ ምትእስሳር ከይህልዎ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ","content":"ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እቲ ኣብ ጋምቢያ ዘጋጠመ ሞት 66 ህጻናት ምስቶም ኣብ ህንዲ ዝተሰርሑ ኣርባዕተ ሽሮፕ ሰዓል ምትእስሳር ክህልዎ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ። እቶም ኣፋውስ፡ ብናይ ህንዲ ኩባንያ ሜይደን ፋርማሲቲካልስ ዝፈርዩ ኮይኖም፡ ብዛዕባ ድሕንነቶም ውሕስና ክህብ ከምዘይከኣለ እቲ ውድብ ሓቢሩ። እቲ ኣፍራዪ ኣፋውስ ትካል፡ ክሳብ ሕጂ ርእይቶ ኣይሃበን። ቢቢሲ ርእይቶ ንምርካብ ምስ ሜይደን ፋርማሲቲካልስ ፈቲኑ ነይሩ። ሰበስልጣን ህንዲ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ መንጎ እቶም ሽሮፕን እቲ ሞትን ዘሎ ምትእስሳር ዝምልከት መርትዖታት ከቕርብ ከምዝሓተቱ ይገልጹ። ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እቶም መድሓኒታት ፕሮሜታዚን ኦራል ሶሉሽን፡ ኮፌክስማሊን ቤቢካፍ ሲረፕ፡ ማኮፍ ቤቢ ካፍ ሲረፕን ማግሪፕ ኤን ኮልድ ሲረፕን ምዃኖም ኣለልዩ እዩ። እቶም ኣርባዕተ ፍርያት ኣብ ጋምብያ ዝርከቡ'ኳ እንተኾኑ፡ \"ብዘይ ስሩዕ ዕዳጋታት፡ ናብ ካልኦት ሃገራት ወይ ዞባታት ተዘርጊሖም ክኾኑ ይኽእሉ\" ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም ወሲኹ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዘውጽኦ መጠንቀቕታ ይሕብር። ንዞም ሽሮፓት ምጥቃም፡ ብፍላይ ኣብ ህጻናት ከቢድ መጉዳእቲ ወይ ሞት ከስዕብ ከም ዝኽእል እዩ እቲ ውድብ ዘጠንቅቕ። ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ኣብ ጋምብያ ኣብ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ሕዱር መጉዳእቲ ኩሊት ከምዝወሰኸ ሰብመዚ ሕክምና ምግላጾም ስዒቡ እዩ ነዚ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ። መንግስቲ ጋምብያ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ እቶም ሽሮፓት ኣጊዱ ሰባት ኣብ ክንድኡ ክኒን ክጥቀሙ ከምዘተሓሳሰበ ይፍለጥ። ካብ’ቲ እገዳ ጀሚሩ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት እናነከየ’ኳ እንተመጸ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ግን ካልኦት ክልተ ሞት ከምዝተመዝገበ ዳይረክተር ኣገልግሎት ጥዕና ጋምብያ ሙስጠፋ ቢታይ ንፕሮግራም ፎከስ ኦን ኣፍሪቃ ቢቢሲ ሓቢሩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ጋምብያ መድሃኒታት ውሑስ ድዮም ኣይኮኑን ንምምርማር ዘኽእል ላቦራቶሪ ስለዘይብላ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንክምርመሩ ክትልእኽ ከትምዝተገደደት ገሊጹ። ሚስተር ቢታይ ወሲኹ፡ ጋምብያ ንቤተ-ፈተነ ምቁጽጻር ጽሬት ዝኸውን ምወላ ንምርካብ ምስ ባንክ ዓለም ኣብ ምዝርራብ ከምዘላ ሓቢሩ። ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እቶም ንጥረ ነገራት መርዛማትን፡ ሳዕቤናቶም ድማ \"ቃንዛ ከብዲ፣ ውጽኣት፣ ተቕማጥ፣ ሽንቲ ምሻን ዘይምኽኣል፣ ሕማም ርእሲ፣ ምቕያር ኩነታት ኣእምሮን ናብ ሞት ከብጽሕ ዝኽእል ሕዱር መጉዳእቲ ኩሊትን ከጠቓልል ይኽእል\" ይብል። ብተወሳኺ ሚስተር ቢታይ፡ ኣሰር ናይቲ ተምላስን ውጽኣትን ከስዕብ ዝኽእል ኢ.ኮሊ ዝተበሃለ ባክቴርያ እውን ከምዝተረኸበ ገሊጹ። ሰበስልጣን ጥዕና ጋምብያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብልክዕ ቁጽሮም ከይጠቐሱ፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ህጻናት ከምዝሞቱ ገሊጾም ነይሮም። ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ \"ሞት እዞም ህጻናት ንስድራቤቶም ልቢ ዝሰብር'ዩ\" ኢሉ። ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ማእከላይ ትካል ምቁጽጻር ደረጃ መድሃኒት ህንዲ፡ እቲ ኣፍራዪ ነቲ ዝተበከለ መድሃኒታት ናብ ጋምብያ ጥራይ ኣቕሪቡ ክኸውን ከም ዝኽእል ከም ዘመልከተ፡ ካብ ትካል ጥዕና ሕቡራት ሃገራት ዝመጸ ኢመይል ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ጸብጺቡ። ውድብ ጥዕና ዓለም ግን \"እቲ ኣፍራዪ ኣብ ካልኦት ፍርያት ተመሳሳሊ ዝተበከለ ትሕዝቶ ተጠቒሙ ኣብ ውሽጢ ሃገር ወይ ናብ ወጻኢ ዘርጊሑ\"  ክኸውን ከምዝኽእል ብምጥቃስ \"ዓለማዊ ምቅላዕ\" ተኽእሎ ከምዘሎ የተሓሳስብ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cle156ep177o"} {"headline":"ን25 ሳናቲም ኢሉ 22 ዓመታት ኣብ ቤት ፍርዲ ተኸራኺሩ ዝተዓወተ ሰብኣይ","content":"ቱንጉናዝ ቻተርቨዲ ዝተብሃለ ህንዳዊ ጠበቓ፡ ኣብ 1999 ኣብ ዝገዝአን ክልተ ናይ ባቡር ትኬት 20 ሩፒ [0.25 ዶላር] ዝያዳ ክኸፍል ስለዝተገደደ፡ ን22 ዓመት ኣብ ቤት-ፍርዲ ብምክርኻር ተዓዊቱ። እቲ ክስተት ቅድሚ 22 ዓመታት ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ ኣብ ዝርከብ ዞባ ኢታር ፕራዲሽ ኣብ ዝርከብ መደበር ባቡር’ዩ ኣጋጢሙ። ቤት-ፍርዲ ህንዲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘካየዶ ናይ መወዳእታ መጋባእያ፡ ቱንጉናዝ ቻተርቨዲ፡ ሰልዱ ምስ ወለዱ ክምለሰሉን ብገንዘብ ክከሓስን ናይ መወዳእታ ብይን ኣመሓላለፉ። ወዲ 66 ዓመት ቱንጉናዝ ቻተርቨዲ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት “ምስዚ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ኣብ ዝሓለፈ 22 ዓመታት ልዕሊ 100 ግዜ’የ ኣብ መጋባእያ ተረኺበ” ድሕሪ ምባል “ሓቂ ንኽትወጽእ ኢለ ዘባኸንክዎን ሰልዲ፣ ጸዓትን ግዜን እዚ ኢልካ ዝግለጽ ኣይኮነን” ኢሉ። ኣብያተ ፍርዲ ህንዲ ምስ ዘይዕግበት ናይ ኣገልግሎት ብዝተሓሓዙ ክስታት ወትሩ ምስ ተጨናነቑ’ዮም። ሓደ ሓደ ግዜ ኸኣ እቶም ክስታት ቀለልቲ ክንሶም፡ ብቤት ፍርዲ መዓልቦ ከይተገበሮም ዓመታት ክወስዱ ንቡር ተርእዩ’ዩ። ብዙሕ ግዘ ኸኣ እቶም ከሰስቲ ብንውሓት ግዜ ተስፋ ቖሪጾም ክሶም ከወንዝፍዎም ብተደጋጋሚ ይርኣዩ’ዮም። ነባሪ ዞባ ኡታር ፕራደሽ ቱንጉናዝ ቻተርቨዲ፡ ካብ ማቱራ ናብ ሞራዳባድ ንኽጓዓዝ ክልተ ትኬት ኣብ ዝገዝኣሉ’ዩ ዝያዳ ክኸፍል ተገዲዱ። ንሓንቲ ትኬት 35 ሩፒ’ዩ ነይሩ ዋግኡ፡ ቱንጉናዝ ቻተርቨዲ ኸኣ 100 ሩፒ ብምኽፋል ክልተ ትኬት ሓቲቱ፡ ሸያጢ ትኬት እቲ መንገዲ ባቡር ግና ኣብ ክንዲ 70 ሩፒ፡ 90 ኣክፊሉ 10 ሩፒ ጥራይ ማልስ ሂብዎ። ዝያዳ ከምዝኸፈለ’ኳ ነቲ ሸያጢ ትኬት እንተሓበሮ፡ ማልሱ ግን ክረክብ ኣይከኣለን። ካብዚ ብምብጋስ ኣብ 1999 ኣብ ልዕሊ እቲ ጋሮክፑር ተባሂሉ ዝጽዋዕ መንገዲ ባቡር ወግዓዊ ክሲ መስሪቱ። ቱንጉናዝ ቻተርቨዲ፡ መስርሕ ቤት-ፍርዲ ኣዝዩ ዝሕቱል ብምዃኑ እቲ ጉዳይ ኣስታት 22 ዓመታት ከምዝወሰደ’ዩ ዝገልጽ። “እቲ መንገዲ ባቡር ነቲ ክሲ ከሰርዞ ብዙሕ ጻዕሪ እዩ ካይዱ” ድማ ይብል። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ደያኑ ብዕረፍቲ፣ ብሓዘንን ብኻልእ ነገራትን ኣብ መጋባእያ ስለዘይርከቡ ብዙሕ ግዜ መስርሕ ቤት ፍርዲ ከምዝተሰጋገረ ቱንጉናዝ ቻተርቨዲ ይገልጽ። ድሕሪ ዓመታት ዝወሰደ መስርሕ ፍርዲ፡ ቤት-ፍርዲ እቲ መንገዲ ባቡር ንቱንጉናዝ ቻተርቨዲ 15 ሽሕ ሩፒ [188 ዶላር] ክኽሕሶ ብይን ሂቡ። ኣብ ልዕሊኡ እተን 20 ሩፒ ካብ 1999 ክሳብ 2022 ዓመታዊ 12 ሚኢታዊት ወለድ ተወሲኸወን ክኸፈለኦ፣ እቲ መንገዲ ባቡር ንቱንጉናዝ ቻተርቨዲ እቲ ዝተበየነሉ ሰልዲ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ክኸፍሎ እንዘይክኢሉ፡ እቲ ወለድ ናብ 15 ሚኢታዊት ክብ ክብል እቲ ቤት-ፍርዲ ብይኑ ሂቡ ኣሎ። ቱንጉናዝ ቻተርቨዲ፡ እቲ ዝተበየነ ካሕሳ ናይቲ ዘባኸኖ ግዜን ብኣእምርኡ ንዓመታት በዚ ሓሳብ ብምሓቱን ዝድብስ ከምዘይኮነ ንቢቢሲ ዘይዕግበቱ ገሊጹ። ስድርኡ፡ ግዜ ምብኻን’ዩ ብምባል ብተደጋጋሚ ነቲ ክሲ ክስሕቦ’ኳ ምሕጽንታ የቕርብሉ እንተነበሩ ንሱ ግን ክሱ ኣብ መወዳእታ ንምብጻሕ ምኽሮም ዕሽሽ ይብሎ ምንባሩ’ውን ገሊጹ። “እቲ ገንዘብ ኣይኮነን ዘገድስ፡ እዚ ቃልሲ ንፍትሕን ቃለሲ ኣንጻር ብልሽውናን’ዩ። እቲ ዝኸፈልክዎ ዋጋ ኸኣ ይግብኦ’ዩ” ድሕሪ ምባል፡  “ኣነ ንባዕለይ ጠበቓ’የ ስለዚ ንጠበቓ ዘውጽኦ ገንዘብ ኣይነበረንን፡ እዚ እንተዝውሰኾ እቲ ዋጋ ኣዝዩ ምኸበረ ነይሩ” ይብል ቱንጉናዝ ቻተርቨዲ። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ንሱ ንዓመታት ተቃሊሱ ዝተዓወተሉ መስርሕ ፍርዲ ንኻልኦት ጽቡቕ ትምህርቲ ክኸውን ከምዝኽእል ብምግላጽ “ዋላ ነገራት ይጸንክር ንሓቂ ኢልና ኣብ ንገብሮ ቃልሲ ተስፋ ክንቆርጽ የብላን” ኢሉ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw0pk5949d8o"} {"headline":"ኣብ ህንዲ ኣናጹ 200 ኪሎ ሓሽሽ በሊዐን","content":"ፖሊስ ህንዲ፡ ካብ ነጋዶ ዝተታሕዘን ኣብ መደበራት ፖሊስ ዝተቐመጠን ኣስታት 200 ኪሎ ግራም ዝምዘን ዕጸፋርስ በሊዐን ክብል ንኣናጹ ወቒሱ። ኣብ ግዝኣት ኡታር ፕራደሽ ዝርከብ ቤት ፍርዲ፡ እተን ኣናጹ \"ኣጻብዕተን ደቀቕቲን ንፖሊስ ዝኾነ ፍርሒ ዘይብለንን እየን። ነቲ ሓሽሽ ካብአን ንምክልኻል ኣጸጋሚ'ዩ\" ኢሉ። እቲ ቤት ፍርዲ፡ ፖሊስ ነቲ ዕጸፋርስ ከም መርትዖ ከቕርብ ሓቲቱ ነይሩ። ዳኛ ሳንጃይ ቻውዳሪ ኣብ ዝሃቦ ትእዛዝ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ዝተታሕዘ ዕጸፋርስ ከም መርትዖ ከቕርብ ንፖሊስ ምስ ሓተተ፡ 195 ኪሎ ዕጸፋርስ ብኣናጹ \"ከምዝጠፍአ\" ከምዝተነግሮ ገሊጹ። ኣብ ካልእ 386 ኪሎ ግራም ዕጸፋርስ ዝምልከት ጉዳይ፡ ፖሊስ \"ገለ\" ካብቲ ካናቢስ \"በተን ኣናጹ ተበሊዑ\" ዝብል ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ዳኛ ቻውዳሪ፡ ብፖሊስ ዝተታሕዘ ኣስታት 700 ኪሎ ዝምዘን ማሪዋና ኣብ ኣውራጃ ማቱራ ኣብ ዝርከባ መደበራት ፖሊስ ተደፊኡ \"ኩሉ ኣብ ሓደጋ ምውራር ኣናጹ ከምዝነበረን\" ገሊጹ። እተን ኣናጹ \"ኣዝየን ንኣሽቱ\" ብምዃነን፡ ፖሊስ ነቲ ጉዳይ ኣብ ምሕላው ዝኾነ ክእለት ከምዘይብሉ ገሊጹ። ነቲ ዝተታሕዘ ሓሽሽ ካብ \"ከምዚአን ዝኣመሰላ ፍርሒ ዘይብለን ኣናጹ\" ንምክልኻል እቲ እንኮ መገዲ፡ ነቲ ሓሽሽ ናብ ቤተ-ፈተነታት ምርምርን ትካላት መድሃኒትን ብሓራጅ ምሻጥ ምዃኑ ወሲኹ ገሊጹ። ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ፖሊስ ኣውራጃ ማቱራ ኣባል ባይቶ ሲንግ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ገለ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ከባቢኡ ኣብ ዝርከባ መደበራት ፖሊስ ዝተዓቀበ ማሪዋና \"ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብ ከምዝተሃስየን ብኣናጹ ከምዘይዓነወን ሓቢሩ። ኣብ 2018 ሸሞንተ ኣባላት ፖሊስ ኣርጀንቲና ካብ መኽዘን ፖሊስ ብዝጠፍዐ ፍርቂ ቶን ካናቢስ፡ ኣናጹ ድሕሪ ምውቃሶም ካብ ስራሕ ከምዝተባረሩ ይዝከር። ክኢላታት ግን ነቲ ክሲ ብምቅዋም፡ እተን ኣናጹ እቲ ሓሽሽ መግቢ ክመስለን ተኽእሎ ከምዘይብለንን፡ \"ዓቢ ጉጅለ ኣናጹ እንተዝበልዕዖ ነይረን ኣብቲ መኽዘን ብዙሕ ሬሳታት ምተረኽበ ነይሩ\" ክብሉ ገሊጾም። ኣብ 2019 ዝተሓትመ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ናይ ላቦራቶሪ ኣናጹ ብካናቢስ ዝተኣሳሰረ ብሒቝ ክወሃቦም ከሎ፡ \"ንጥፈታትን ሙቐት ኣካላተንን ከም ዝንኪ\" ኣረጋጊጹ። ኣብ 2017፡ ፖሊስ ምብራቓዊ ህንዲ ግዝኣት ቢሃር፡ ኣናጹ ዝተመንዝዐ ኣሽሓት ሊትሮ ኣልኮላዊ መስተ ከምዝሰተያ ወቒሶም ነይሮም፡ እዚ ድማ እታ ግዝኣት መሸጣን መስተን ኣልኮላዊ መስተ ድሕሪ ምእጋዳ ሓደ ዓመት ጸኒሑ ዘጋጠመ እዩ። ኣብ 2018፡ ኣብ ግዝኣት ኣሳም ንዝተበላሸወት ናይ ገንዘብ ማሽን ንምጽጋን ዝመጹ ቴክኒሻናት፡ ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ሩፒ (14,691 ዶላር) ዝግመት ባጤራ ተቐዳዲዱ ከምዝረኸቡን ኣናጹ ገበነኛታት ተባሂለን ከምዝተጠርጠራን ገሊጾም ነይሮም።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cmlk40r3vjmo"} {"headline":"ውላድ ብዘይነበሮም መጻምዲ ዝተሰረቀት ቈልዓ ድሕሪ ትሽዓተ ዓመታት ተረኺባ","content":"ጓል 16 ዓመት ፑጃ ጋውድ፡ ድሕሪ ትሽዓተ ዓመታት፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ሕቝፊ ኣደኣ ክትኣቱ በቒዓ ኣላ። ፑጃ፡ ጓል 7 ዓመት እንከላ እያ ብ22 ጥሪ 2013 ደሃያ ዝተሳእነ። ኣብቲ እዋን ኣብ ኣፍደገ እቲ ኣብ ምዕራባዊ ህንዲ ግዝኣት ማሃራሽትራ ከተማ ሙምባይ ዝርከብ ቤት ትምህርታ ዝጸንሑ መጻምድቲ፡ ብኣይስክሪም -ጀላተ - ኣታሊሎም’ዮም ወሲዶምዋ። ብ4 ነሓሰ ከኣ \"ተኣምራዊ ህድማ\" እናተበሃለ ብዝግለፅ ዘሎ ኵነታት ተረኺባ። ኣደኣ ፑናም ጋውድ፡ ታሕጓሳ ደረት ከምዝሰኣነትሉ ትዛረብ። \"ጓለይ ንሓዋሩ ክረኽባ ከምዘይክእል ተስፋ ቈሪጸ ነይረ። ኣማልኽቲ ግን ሕያዎት ኰይኖምለይ\" ትብል። እታ ህጻን ብሃሪ ዲሶዛን በዓልቲ ቤቱ ሶኒ ዲሶዛን ከምዝተጨወት ዝሕብር ፖሊስ፡ እዞም መጻምድቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ቈልዓ ስለዘይነበሮም ነቲ ተግባር ከምዝፈጸሙ ከሲሱ። ኣቶ ዲሶዛ ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ኣሎ። ፑጃ ቅድሚ ምጥፋኣ ምስ ክልተ ኣሕዋታን ወለዳን፡ ድኻታት ብብዝሒ ኣብ ዝርከቡሉ ክፋል ከተማ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ገዛ ትነብር ነይራ። ኣብታ ዝጠፍኣትላ መዓልቲ ምስ ዓቢይ ሓዋ ናብ ቤት ትምህርቲ እናኸዱ፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ስለዝተብኣሱ፡ ሓዋ ኸኣ ካብ ትምህርቲ ደንጕዩ ስለ ዝነበረ ገዲፉዋ ከደ። ሽዑ እዮም እቶም መጻምድቲ፡ ኣይስክሪም ክገዝኡላ ቃል ብምእታው እዮም ወሲዶምዋ ዝበሃል ዘሎ። ሽዑ እቶም መጻምድቲ ኣብ መጀመርታ ናብ ጎዋ-ምዕራባዊ ህንዲ፡ ድሕሪኡ ድማ ናብታ ካርናታካ ዝተበሃለት ኣብ ደቡብ ህንዲ ትርከብ ግዝኣት ከም ዝወሰድዋ እትዝክር ፑጃ፡ እንተበኽያ ወይ ንነገራት ክተስተብህል እንተጀሚራ ክሃርሙዋ ምዃኖም ከም ዘፈራርሕዋ ትዛረብ። ንሓጺር እዋን ክትመሃር ዝፈቐዱላ እቶም መጻምድቲ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ቈልዓ ምስ ወለዱ ግን ትምህርቲ ክተቋርጽ ከምዝገበሩን ሒዞምዋ ናብ ሙምባይ ከምዝኸዱን ትገልፅ። እቲ ህጻን ምስ ተወልደ ድማ እቲ ኣብ ልዕለኣ ዝፍፀም ግህሰት ወሰኸ። \"ብቐልፊ ይገርፉኒ፡ ይረግጹኒን ይጸፍዑኒን ነይሮም። ሓደ ግዜ ብ’ሮሊን- ፒን’ [ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐ ከቢብ ዱላ መስጠጢ ብሑቕ] ስለ ዝሃርሙኒ ሕቘይ ክደሚ ጀሚሩ። ናይ ገዛ ስራሕ ክሰርሕ ካብ ምግባሮም ብተወሳኺ፡ ካብ 12 ክሳብ 24 ሰዓታት ኣብ ደገ ክሰርሕ የገድዱኒ ነይሮም” ትብል። እቲ ጨወይታ ዝነብረሉ ዝነበሩ ገዛ ናብቲ ስድራቤታ ዝነብሩሉ ኣዝዩ ቀረባ እዩ ነይሩ። ግን፡ ንሳ መንገድታት ዘይትፈልጥ፣ ኵሉ ግዜ ምክትታል ዝግበረላን ገንዘብ ኮነ ተሌፎን ዘይብላን ብምንባራ፡ ዝሕግዛ ሰብ ወይ መንገዲ ገዝኣ ክትረክብ ከምዘይከኣለት ትዛረብ። ሓደ መዓልቲ ፑጃ እቶም መጻምዲ ደቂሶም ከለዉ ሞባይሎም ወሲዳ ዩቱዩብ ብምኽፋት ስማ ጸሓፈት። ብዛዕባ ጭውያኣ ዝጠቕሱ ቪድዮታትን ፖስተራትን ከምኡ ድማ ሓገዝ ንምርካብ ክትድውለሎም እትኽእል ቁጽርታት ረኸበት። \"ሽዑ'የ ሓገዝ ክደልን ክሃድምን ዝወሰንኩ\" ትብል። እንተዀነ ፑጃ፡ ምስታ ከም ሓብሓቢት ህጻናት ኮይና እትሰርሕ ዝነበረት ጓል 35 ዓመት ሰራሕተኛ ገዛ ፕራሚላ ደቨንድራ፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ንምዝርራብ እኹል ትብዓት ክትረክብ 7 ኣዋርሕ እዩ ወሲዱላ። ደቨንድራ ሽዑ ንሽዑ ክትሕግዛ ተሰማምዐት። ኣብቲ ብናይ ዩቱዩብ ቪድዮ ዝረኣየቶ ዝተጠቅዐ ፖስተር ካብ ዝነበሩ ቍጽርታት ሓደ፡ ምስ ጎረቤት ኣደ ፑጃ ዝኾነ ራፊቕ ዘራኸባ ነበረ። ብድሕሪኡ ኣደን ጓልን ብቪድዮ ክራኸባ እንከለዋ ድሕሪኡ ድማ ብኣካል ክራኸባ ቈጸራ ሓዛ። ኣደኣ ዝገበረቶ ሓደ ነገር እንተሃለወ፡ ኣብ ጓላ ከምዘሎ ንሳ ጥራይ እትፈልጦ መፋጥርታ ዝኾነ ምልክት (ክትውለድ ከላ ምስኣ ዝነበረ ምልክት) ምፍታሽ ነበረ። ምስ ረኸበቶ ድማ ስምዒታ ክትቆጻጸሮ ከምዘይከኣለት ትዛረብ። \"ኵሉ ጥርጣረይ ብኡንብኡ ጠፊኡ። ጓለይ ከም ዝረኸብክዋ ፈሊጠ ነይረ\" ትብል። ድሕሪ ምርኻበን ከኣ፡ ፑጃ፡ ውሑዳት ኣባላት ስድራቤትን እታ ዝሓገዘታ ደቨንድራን ናብ መደበር ፖሊስ ብምኻድ ክሲ ኣቕረቡ። \"ንፖሊስ ኵሉ ነገር ነጊረዮም። ጨወይተይ ኣበይ ከም ዝነብሩ ከይተረፈ ነጊረዮም\" ትብል። በዚ ድማ እቶም ተኸሰስቲ መንነቶም ተፈልጠን ተኣስሩን። ኣብ መደበር ፖሊስ ሙምባይ ‘ዲኤን ናጋር’ [DN Nagar] ላዕለዋይ መርማሪ ሚሊንድ ኩርደ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ተኸሰስቲ ብጭውያ፡ ምፍርራሕ፡ ኣካላዊ ዓመጽን ሕግታት ዕዮ ህጻናት ብምጥሓስን ተኸሲሶም ኣለዉ። ፑጃ ናብ ገዛኣ ምምላሳ፡ ንስድራኣ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዅሉ ዝፈልጣ ሰብ ሓጎስ ዝፈጠረ ኮይኑ’ሎ። ብቝልዕነታ ዝረኣይዋ ጎረባብቲ ንኽረኽብዋ ሃንቀው ክብሉ ጸኒሖም እዮም። ኣደኣ ድማ ነቲ ምስ ጓላ ተጠፋፊኣ ዘሕለፈቶ ግዜ ክትክሕሶ ትጽዕር ኣላ፤ ጓላ እትፈትዎ መግቢ እናኸሸነትን ጸጕራ እናመሸጠትን ትውዕል። ክልቲኤን ዝኣኽለን ግዜ ብሓባር ከሕልፉ ዝፍትና ኰይነን ኣብዚ እዋን ግን ናብራ ከቢድ ኰይኑወን ኣሎ። ኣደ ፑጃ፡ ፋይናንሳዊ ኵነታት ስድራቤታ ጽቡቕ ከምዘይኮነ ትዛረብ። እቲ እንኮ ንመነባብሮ እታ ስድራቤት ኣታዊ ዘምጽእ ዝነበረ ኣቦ ፑጃ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ብሕማም መንሽሮ ዓሪፉ እዩ። ስለዚ፡ ኣደኣ ንገዛእ ርእሳን ንሰለስተ ደቃን ዘድሊ ነገራት ንምምላእ ኣብ ሓደ መደበር ባቡር ምቁር መግቢ ብምድላው ኣብ ምሻጥ ትርከብ። እቲ ኣታዊ ግን ውሑድ ስለዝዀነ ዘድሊ ነገራት ክተማልእ ትቃለስ ኣላ። “ናይ ሓንቲ መዓልቲ ስራሕ እንተ ተሪፋትኒ ንጽባሒቱ ንመግቢ ዝኸውን ገንዘብ ኣይክህልወናን'ዩ\" ትብል ኣደ ፑጃ። ፑጃ ድማ ገና ኣብ ውሽጣ ካብ ዝተረፈ ስንባደኣ ኣይተናገፈትን። ንኣቦኣ ክትሪኦ ምስዘይምኽኣላ ተደሚሩ ለይቲ ብሃተፍተፍ ድቃስ ትስእን፡ ውሽጣ’ውን ብሓዘን ተሃስዩ’ሎ። ንድሕነታ ብምስጋእ ዝበዝሕ ግዜኣ ኣብ ገዛ እያ እተሕልፎ፣ ወይ ድማ ናብ ደገ ክትወጽእ ከላ ብኣባል ስድራኣ ተሰንያ ትኸይድ። \"ንኣደይ ኣታዊ ኣብ ምርካብ ክሕግዛ እደሊ'የ፡ ግን ነዚ ክገብር ኣይከኣልኩን። ክመሃር'ውን ደልየት ኣለኒ\" ትብል።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd148pzjle0o"} {"headline":"ኣጋር ዝሳገርሉ ድልድል ብምጻድፉ ልዕሊ 140 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ህንዲ ግዝኣት ጉጃራት 230 ሜትሮ ንውሒ ዘለዎ ኣጋር ዝሳገርሉ ድልድል ናብ ቃላይ ብምጽዳፉ ልዕሊ 140 ሰባት ከምዝሞቱ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ኣፍሊጦም። ፖሊስ ምስ እቲ ፍጻመ ብዝተዛመደ ንሸሞንተ ሰባት ምጥርጣቱ'ውን ተገሊጹ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3g960252yko"} {"headline":"ብዓመጽ ዝተወልደ ወዲ፡ ኣዲኡ ፍትሒ ክትረክብ ይጓየ ኣሎ","content":"ሓንቲ ህንዳዊት ጓል ኣንስተይቲ ብኽልተ ኣሕዋት ብተደጋጋሚ ክትዕመጽ ድሕሪ ምጽናሕ ዳርጋ ድሕሪ ሰለስተ ዓሰርተታት፡ ኣብ መወዳእታ ፍትሒ ክትረክብ ተስፋ ገይራ ኣላ ። እታ ኣደ ፍትሒ ክትረክብ ዝሕግዛ ዘሎ ድማ እቲ ካብቲ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝተረኽበ ውላዳ'ዩ። እታ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ግዝኣት ኡታር ፕራደሽ እትርከብ ጓል ኣንስተይቲ፡ ጓል 12 ዓመት ህጻን ከላ እያ ንልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብኽልተ ደቂ ተባዕትዮ ተዓሚጻ። ብሞግዚት ዝዓበየን ድሕሪ 13 ዓመታት ግን ናብኣ ዝተመልሰን ወዳ፡ ኣብልዕሊ እቶም ዓመጽታ ዝበሃሉ ሰባት ክሲ ከተቕርብ ኣተባቢዕዋ። ቅድሚ ዓሰርተ መዓልቲ ፖሊስ ንሓደ ካብቶም ተኸሰስቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘእተየ ዀይኑ፡ ትማሊ ረቡዕ ድማ እቲ ካልኣይ እውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ኣሎ። እታኣደ ንቢቢሲ ኣብዝሃበቶ ሓበሬታ፡ \"እቲ ፍጻመ ኣዝዩ ዝጸንሐ'ኳ እንተኾነ፡ እቲ ዘስዓቦቁስሊ ግን ዛጊድ ኣይሓወየን\" ኢላ። \"ህይወተይ ደው ኣቢልዋ'ዩ፡ ነታ ህሞት ድማ ደጋጊመ እየ ዝዝክራ።\" ኣብ ህንዲ በብዓመቱ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ህጻናት ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ይዀኑ። ኣብ 2020 - ወግዓዊ መረዳእታ ገበን ዝረኸበሉ ናይ መወዳእታ ዓመት - ብመሰረት ሕጊ ሓለዋ ጥዕና ህጻናት፡ ኣብ መዝገብ ጾታዊ ገበናት ህንዲ (ፖክሶ) 47 ሽሕ ጉዳያት ተመዝጊቦም። ጎስጓሳት፡ ህጻናት ወይ ንኣሽቱ ስለዝኾኑ እንታይ የጋጥሞም ከምዘሎ ክርድኡ ስለዘይክእሉ ወይ ድማ ንኽዛረቡ ኣዝዮም ስለዝፈርሑ፡ ብዙሓት ፍጻመታት ከይተሓበሩ ይዛረቡ። ስድራቤታት እውን መብዛሕትኡ ግዜ ብሰንኪ ፍርሓት ምግላል ወይ ድማ እቶም ገበነኛታትከይፍለጡ፡ ከምዚ ዓይነት ግህሰት ካብ ምቅላዕ ኣይደፍሩን። ብመሰረት ሕጊ ህንዲ ስሙ ክግለጽ ዘይክእል፡ ካብ ዓመጽ ‘ኡታር ፕራደሽ’ ዝደሓነ፡ እቲ ዓመጽ ኣብ 1994 ሻህጃሃንፑር ኣብ ዝተብሃለት ከተማ  ከምዝተፈጸመ ገሊጹ። እቶምተኸሰስቲ መሓመድ ራዚን ሓዉ ናቂ ሓሰንን ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ኮይኖም፡ በይና ኣብ ዝኾነትሉ እዋንኣብ ልዕሊ መንደቕ ዶብ ገዝኣ ዘሊሎም ይሃርሙዋ ነይሮም። እቲጥንሲ፡ ጥዕንኣ ክበላሽዎ ምስ ጀመረን ሓፍታ ናብ ሓኪም ምስ ወሰደትን ጥራሕ እዩ ተፈሊጡ። እቲ ሓኪም ብሰንኪ ድኹም ጥዕንኣን ንእስነታን ምንጻል ጥንሲ ከልኪሉ። ድሕሪ ምውላዱ ብኡንብኡ እቲ ህጻን ንመዕበይቲ ተዋሂቡ። \"ብሰንኪ እዚቆልዓ ብዙሕ ተሳቒየ ነይረ ግን ገጹ ክርኢ ዕድል እኳ ኣይረኸብኩን። ንኣደይ ምስ ሓተትክዋ፡ 'ሕዚ ኣብ ህይወትኪ ካልኣይ ዕድል ክትረኽቢ ኢኻ' ኢላትኒ።\" እታብህይወት ዝተረፈትን ስድራቤታን ንፖሊስ ኣይሐበሩን። ምኽንያቱ እታ ሰበይቲ ንተኸሳሲ ፈሪሓ ከም እትነብር ስለ ዝገለጸት። “ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ዓመጽ ንዝኾነ ሰብ እንተነጊረዮ ንስድራይ ቀቲሎም ገዛና ሓዊ ከቃጽልዎ ምዃኖም ኣፈራሪሖምኒ\" ትብል። \"ሕልመይ ዓብየናብ ፖሊስ ምጽንባር'ዩ ነይሩ፡ ብሰንኪ እዞም ክልተሰባት ግን ኩሉ ሕልምታተይ ተቖጽዩ። ካብ ትምህርቲ ተሪፈ። ከጽንዕ ኣይከኣልኩን።\" ደሓር ግና፡ እታ ሰበይቲን ስድራቤታን፡ ካብቲ ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ገዝኦም ዝተኣሳሰር ዘሕዝን ዝኽሪ ንምህዳም ናብ ዞባ ራምፑር ገዓዙ። ኣብ 2000 ተመርዕያ ካልኣይ ውላድ ወለደት። እዛ ሓዳስ ምዕራፍ ንዝሓለፈ ክትርስዕ ክሕግዛ ተስፋ ከም ዝነበራ ትዛረብ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ግን በዓል ቤታ ብዛዕባ እቲ ዓመጽ ፈሊጡ ብኡ ከም ዝወቐሳ ትዛረብ። ምስወዳ ምስ ደርብያ ምስ ሓፍታን ስድራኣን ክትቅመጥ ጀሚራ። እቲ ንመዕበያ ዝተዋህበ ቀዳማይ ወዳ እውን ብሰንኪ መንነቱ ብዙሕ ኣድልዎ ኣጋጢምዎ እዩ። ኣዲኡ፡ እቶም ሰባት ወለዱ ከምዘይኮነ ካብ ጎረባብቱ እናሰምዐ ከምዝዓበየን ብኸምኡ ከምዝፈለጠን ትዛረብ። ኣደን ወድን ድሕሪ ምፍልላዮም፡  13 ዓመት ጸኒሖም፡ እቶም ዘዕበዩ ወለዲ ነቲ ህጻን ናብ ኣዲኡ መለስዎ። እቲ ቆልዓ ግን ኣቦኡ መን ምዃኑ ኺፈልጥ ሃረር በለ። ስድራቤታዊ ስም ኣይነበሮን - ኣብ ህንዲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብስም ናይቲኣቦ እዩ ዝጽዋዕ - ቆልዑ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ይላገጹሉ ነይሮም። ንኣዲኡብዛዕባኡ ብቐጻሊ ሕቶታት ይሓትት ነበረ እሞ መልሲ ዘይምርካቡ ድማ ኣዝዩ የሕርቖ ነበረ። እታ ሰበይቲ፡ ወዳ \"ነዚ ​​ስም [ኣቦ] ዘይብሉ ህይወትክነብር ከምዘይክእል\" ከምዝነግራ ብምሕባር፡ ስም ኣቡኡ እንተዘይገለጸት ነብሰ ቅትለት ከምዝፍጽም ኣፈራሪሓ። ኣብ መጀመርታ ሕቶታት ስለ ዘብዘሐላ ከምዝገሰጸቶ፡ ኣብ መወዳእታ ግን፡ እቲ ሓቂከም ዝነገረቶን ከምዝዓረፈትን ትዛረብ። እቲ ወዲ ኣብ ክንዲ ዝስንብድ ናብ ዝዓበየ ደጋፊኣ ተቐይሩ፡ \"ነዚ ውግእ ክትቃለስን ንተኸሳሲ ትምህርቲ ክትምህረሉን\" ከምዘለዋ ነጊርዋ። \"ብዛዕባ እቲዘጋጠመ እንተትዛረብ ምናልባት ብዙሓት ካልኦት ሰባት'ውን ከምኡ ምገበሩ። እዚ ድማ ጉዳይና ከሐይልን ተኸሰስቲ ክቕጽዑን እዮም። ገበነኛ ክድሕን ከምዘይክእል ናብ ሕብረተሰብ ዓቢ መልእኽቲ ከሕልፍ'ዩ።\" እታጓል ኣንስተይቲ በቲ ናይ ወዳ ምትብባዕ ኣብ 2020 ዳግማይ ናብ ሻህጃሃንፑር ክትበጽሕ ከላ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰባት  ክሲ ንምምስራት ግን ኣጸጋሚ ኮይኑዋ። ፖሊስጥርዓና ኣዝዩ ዝጸንሐ ስለዝነበረ ምቕባል ኣብዩ ምስ በለት፡ ናብ ጠበቓ ኢዳ ዘርጊሓ። እቲ ጠበቓ እውን ዳርጋ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝገበረ ጉዳይ ንምስዓር ኣጸጋሚ ክኸውን እዩ ብምባል ፍቓደኛ ኣይነበረን። እቲብንእስነታ እትነብረሉ ዝነበረ ከባቢ ኣሰሩ ተቐይሩ ነይሩ - ነቲ  ናይ ቀደም ገዝኣ እኳክትረኽቦ ኣይከኣለትን ፤ እቶም ተኸሰስቲድማ ክርከቡ ኣይከኣሉን። \"ቅድሚ ሰለስተዓሰርተታት ዓመታት ኣበይ ከም ዝነበርክን፡ ኣብኡ ድማ ከም ዝተዓመጽክን ብኸመይክተረጋግጽዮ ትኽእሊ?\" ጠበቓኣ ሓተተ። \"መርትዖ ከነምጽኣልካ ኢና፡ንስኻ ጥራይ ጉዳይና ሓዞ\" ኢላቶ። እቲጠበቓ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ይግባይ ብምባል ብትእዛዝ ዋና ዳኛ ሻህጃሃንፑር ኣብ መጋቢት 2021 ኣብ ልዕሊ ክልቲኦም ተኸሰስቲ ክሲ ተመዝጊቡ። ፖሊስ፡ እታ ሰበይቲ፡ ነቶም ተኸሳስቲ ክትረኽቦም ከም ዝሓተትዋገሊጻ። \"ረኺበዮም፡ ብተሌፎን ኣዘራሪበዮም።ኣለልዮምኒ፡ ‘ንምንታይ ክሳብ ሕጂ ዘይሞትኪ’ ኢሎም ሓቲቶምኒ\" ትብል እታ ሰበይቲ። \"ኣነ ድማ ‘ሕዚ ሞት ናትኩም ተራ እዩ’ ኢለዮ\"። እቶም ተኸሰስቲ ተረኺቦም እኳ እንተነበሩ፡ ምስቲ ገበን ዘተኣሳስሮም መርትዖ ግን ኣይነበረን። ፖሊስ፡ሕጂ መርትዖታት ካብቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝተገብረ መርመራታት ዲኤንኤ ከምዝመጸ ይገልጽ። ላዕለዋይ ተቖጻጻሪ ፖሊስ ሻህጃሃንፑር (SSP) ኤስ ኣናንድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ \"እዚ ጉዳይ ፍጹም ዘይተጸበናዮ'ዩ ነይሩ። እታ ሰበይቲ ንቕድሚት መጺኣ ጉዳያ ምስ ኣቕረበት፡ ኣዚና ተገሪምና። ናይ ወዳ ናሙና ዲኤንኤ ወሲድና\" ኢሉ። ንዝሓለፈ ዓመት ነቲ ጉዳይ ክምርምር ዝጸንሐ ኢንስፔክተር ዳርመንድራ ኩማር ጉፕታ፡ \"ድሕሪኡ ካብቶም ተኸሰስቲ ናሙና ዲኤንኤ ኣኩብነባ። ሓደ ካብኣቶም ምስ ናሙና ዲኤንኤ ናይቲ ወዳ ተሰማሚዑ\" ኢሉ። ብ31 ሓምለ ሓደ ካብቶም ተኸሰስቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ።ፖሊስ፡ ትማሊ ረቡዕ እቲ ካልኣይ ሰብኣይ እውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘሎ ሓቢሩ። እቶም ተኸሰስቲ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝቐረበ ክስታት ክሳብ ሕጂ ርእይቶ ኣይሃቡን። እታ ጓል ኣንስተይቲ፡ ካልኦት ሰባት ንቕድሚት ክመጹን ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸሙ ገበናት ብድፍረት ክሕብሩን ከም እትደሊ ትዛረብ። \"ሰባት ስቕ ኢሎም ኮፍ ይብሉ። ኣነ'ውን ስቕ ኢለ ኮፍ ኢለ፡ እዚ ኣብ ዕጫይ ዝተጻሕፈ መሲሉኒ። ግን ከምኡ የለን። ካልእ ሰብ ነቲ ንሕና ዝተጻወርናዮ፡ ከይጻወር ናብ ፖሊስ ክንከይድ ኣለና።\" እንተ እቲ ወዲ ግን እቶም ተኸሰስቲ ተታሒዞም ብምህላዎም ሕጉስ ምዃኑ ይዛረብ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cpwx8qp6j6yo"} {"headline":"ህንዲ፡ ተቓውሞ ንምግላጽ ኣሸሓት ከብቲ ናብ ህንጻታት መንግስቲ ተፈንየን","content":"ኣብ ምዕራባዊ ህንዲ፡ ግዝኣት ጉጃራት፡ ኣብ ምክንኻን ከብቲ ዝሰርሑ ትካላት ግብረ ሰናይ፡ ብመንግስቲ ቃል ዝተኣተወሎም ሓገዝ ስለ ዝተጠልሙ፡ ተቓውሞኦም ንምግላጽ፡ ኣሽሓት ኣላሕም ናብ መንግስታዊ ህንጻታትን ጐደናታትን ፈቲሖም ፈንዮምወን። እተን ኣላሕም፡ ኣብ ህንጻታት መንግስቲ እንክምርሻ ዘርኢ ቪድዮታት ብብዝሒ ተዘርጊሑ መዘራረቢ ኰይኑ'ሎ። እቶም ሰልፈኛታት፡ መንግስቲ ገንዘብ ከውጽእ እንተዘይክኢሉ፡ ነቲ ዝመጽእ ክልላዊ መረጻ ከተዓናቕፍዎ ምዃኖም'ውን ኣፈራሪሖም ኣለዉ። ጉጃራት፡ ሓንቲ ካብተን ብሰንኪ ለበዳ ሕማም ቆርበት፡ ክሳራ ከብቲ ዘስዓበለን ብዙሓት ግዝኣታት ህንዲ እያ። ኣብቲ ክልል ልዕሊ 5 ሽሕን 800 ከብቲ ክሞታ እንከለዋ፡ ኣስታት 170 ሽሕ ድማ በቲ ሕማም ከምዝተጠቕዓ ይግመት። ላሕሚ፡ ንዝበዝሑ ማሕበረሰብ ሂንዱ፡ ህንዲ 'ቅዱሳት እንስሳታት' ኰይነን፡ ኣብ ጉጃራት ሓዊሱ ኣብ 18 ግዝኣታት'ታ ሃገር ምሕራድ ላም ዘይሕጋዊ እዩ። ጉጃራት፡ ኣብ 2017፡ ላሕሚ ንዝሓርዱ ሰባት ብሕልፈት ማእሰርቲ ክቕጽዑ ከም ዝኽእሉ ብምሕባር፡ ሕግታት ምክልኻል ኣላሕም ኣጽኒዓ እያ። ምስቲ ተቓውሞ ብዝተኣሳሰር፡ ብብዝሒ እተን ከብቲ ኣብ ጐደናታት እናተዘዋወራ፡ ድምጺ እናፈጠራ ትራፊክ ክርብሻን ወይ ኣብ መዕቈቢ እናዔማን ይርከባ። መንግስቲ ጉጃራት፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ ባጀት፡ ኣብታ ግዝኣት ንዝርከባ ኣላሕምን ካልኦት ኣረግቶት እንስሳታትን መጽለሊ ደንበ ንምስራሕ 5 ቢልዮን ሩፒ (61 ሚልዮን ዶላር) መዲቡ ነይሩ። ኣካየድቲ ስርሓት መጽለሊ ናይተን ከብቲ ግን፡ ብመሰረት እቲ ውጥን ዝዀነ ገንዘብ ከምዘይረኸቡን ብመንግስቲ \"ዝተታለሉ\" መሲሉ ከምዝስምዖምን ገሊጾም። ኣብ መንግስቲ ሓያሎ ውክልናታት'ኳ እንተሃለዎም፡ ዛጊድ ዝዀነ ፍታሕ ከምዘይረኸቡ ወሲኾም ገሊፆም። ጋዜጣ ኢንዲያን ኤክስፕረስ፡ ልዕሊ 450 ሽሕ ከብቲ ዝሓቝፋ፡ ብናይ ግብረ ሰናይ ትካላት ዝመሓደራ ኣስታት 1750 ደንብ ኣላሕም፡ ኣብቲ ተቓውሞ ከምዝተጸንበራ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት፡ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ጉጃራት፡ ከብቲ ጽርግያታት፡ ከባቢ ኣብያተ ፍርድን ህንጻታት መንግስትን ከምዝበሓታኦ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብ ሓደ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ፡ ሰልፈኛታት ሽንቲ ላሕምን ሓመድን ሒዞም ተራእዮም። ፖሊስ፡ ኣብ ኣውራጃታት ባናስካንታ፡ ፓታንን ኩችን 70 ሰልፈኛታት ከምዝኣሰረ ሓቢሩ። ሚኒስተር ክንክን እንስሳ ጉጃራት፡ ብሰንኪ \"ምምሕዳራዊ መሰናኽላት\" ሓገዝ ከምዝተደናጐየ ብምእማን፡ ድሕሪ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ \"ኣወንታዊ ፍታሕ\" ክረክብ ቃል ኣትዩ። እቶም ሰልፈኛታት ግን፡ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ኵሉ ሕቶታቶም እንተዘይተመሊሱ፡ ሰፊሕ ናዕቢ ከምዝግበር ኣጠንቂቘም ኣለዉ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c1wn16835xyo"} {"headline":"ሬሳ ጓሎም ብሳንጣ ከምዝደርበዩ ዝተጠርጠሩ ወለዲ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም","content":"ፖሊስ ህንዲ ንሓንቲ መንእሰይ ቀቲሎም ሬሳኣ ኣብ ጥቓ ጽርግያ ደርብዮም ዝበሎም ወለዲ ኣብ ቀይዲ ኣእትዮም። ሬሳ እታ ጓል ኣንስተይቲ፡ ብዓርቢ ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ኡታር ፕራደሽ ኣብ ጥቓ ከተማ ማቱራ ብፕላስቲክ ተጠቕሊሉ ኣብ ውሽጢ ሓደ ቀይሕ ባልጃ'ዩ ተረኺቡ። እቶም ተኸሰስቲ፡ ኣቦ እታ ግዳይ ኒተሽ ኩማር ያዳቭን ኣዲኣ ብራጅባላን ክኾኑ እንከለዉ፡ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ክሳብ ሕጂ ዝሃብዎ ዝኾነ ርእይቶ የለን። ፖሊስ፡ ነቲ ጉዳይ \"ቅትለት ክብሪ\" ክኸውን ይኽእል'ዩ ብዝብል ጥርጣረ መርመራ የካይድ ከምዘሎ ይገልጽ። ቅትለት ክብሪ - ወይ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ንዘመናት ዝጸንሐ ልምድታት ዝሰብሩ ተባሂሎም ዝግመቱ ሰባት ዝፍጸም ገበናት - ኣብ ህንዲ ብቐጻሊ ዘጋጠም ከምዝኾነ ጸብጻባት ይሕብሩ። እቶም ግዳያት ብቐንዱ ካብ ዓሌቶም ወጻኢ ወይ ኣብ ውሽጢ ንኡስ ዓሌቶም ምስ ዝርከብ ሰብ ኣብ ፍቕሪ ዝወድቑ ወይ ኣንጻር ድሌት ስድራቤቶም ዝምርዓዉ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን እዮም። እታ ኣዩሺ ቻውዳሪ ዝተባህለት ግዳይ ኣብ ደልሂ ኣብ ዝርከብ ናይ ብሕቲ ኮሌጅ ትመሃር ከምዝነበረት ፖሊስ ይገልጽ። ፖሊስ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ዝርዝር ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣቦ እታ ጓል 22 ዓመት መንእሰይ፡ ምስ ካልእ ዓሌት ብዝገበረቶ ሓዳር ድሕሪ ምጭቕጫቕ፡ ብ17 ሕዳር ከም ዝቐተላ ይኸስስ። ብተወሳኺ፡ እቶም ወለዲ ነቲ ሬሳ ኣብ ሻንጣ ዓሺጎም ብለይቲ ኣብ ጥቓ ጽርግያ ከም ዝደርበይዎ ፖሊስ ኣብ ዘቕረቦ ክሲ ጠቒሱ'ሎ። ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እቲ ሬሳ ምስተረኸበ፡ መርመራ ሞት ከምዝተኻየደን፡ ኣብ ርእሳ፡ ገጻን ካልእ ክፍሊ ኣካላታን ምልክት ጉድኣት ከምዝተረኸበ ፖሊስ ሓቢሩ። \"ኣብ ኣፍልባ ክልተ ግዜ ብጥይት\" ምስተተወቐዐት ከምዝሞተት’ውን ገሊጹ። ናይቲ ኣቦ ፍቓድ ዘለዎ ጠበንጃ፡ ከምኡ'ውን ኣብቲ ገበን ተጠቒሞምሉ ዝተባህለ መኪናን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd15xd2xjymo"} {"headline":"ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ብኸመይ ሸሞንተ ቢሊየን ኰይኑ?","content":"ኣብ ከባቢ 1800 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ]፡ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ሓደ ቢሊየን ኔሩ። እዚ፡ ክልተ ቢሊዮን ንክመልእ ካልእ 100 ዓመት ወሲዱ። ካብ 1950ታት ጀሚሩ ግን፡ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ብቕልጡፍ ክዓቢ ጀሚሩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት፡ ንህንዲ ሓዊሱ ሃገራት ኤስያ፡ ዝለዓለ ዕብየት ብዝሂ ህዝቢ ዘርኣያ እየን። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም 8 ቢሊዮን ከም ዝዀነ ኣፍሊጡ ነይሩ። ብልክዕ፡ ኣብዛ እንነብረላ ፕላኔት ዘሎ ብዝሒ ህዝቢ ምፍላጥ ኣጸጋሚ’ዃ እንተዀነ፡ ሕቡራት ሃገራት ግን ጠቕላላ ድምር ብሓደ ወይ ክልተ ዓመት ክወጽእ ከምዝኽእል ይኣምን። ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ካብ 7 ቢልዮን ናብ 8 ቢልዮን ንኽዓቢ 11 ዓመታት ጥራሕ እዩ ወሲድሉ። እዚ ሕጂ ዝተራእየ ዕብየት ድማ፡ ዝሓሸ ጥዕና፡ ኣመጋግባን ሕክምናን ሓዊሱ ብብዙሕ ምኽንያታት ዝመጽአ ምዃኑ ክኢላታት ይዛረቡ። ምውሳኽ ብዝሒ ህዝቢ፡ ብዙሓት ቈልዑ ይውለዱ፣ ብዙሓት ንዓቕመ ኣዳም ዝበጽሑን ቈልዑ ዝወልዱ ሰባትን ይውስኹ ምህላዎም እዩ ዘመልክት። ብተወሳኺ፡ ሰባት ዝሓሸ መድሃኒትን ኣመጋግባን ይረኽቡ ብምህላዎም ነዊሕ ዕድመ ይጸንሑ ኣለው። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካልኢት፡ ስእሊ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ዓለምና ዘሎ ሰብ ንምርኣይ 253 ዓመታት ክወስድ ይኽእል እዩ። ማእከላይ እቶት ዘለወን ሃገራት - መብዛሕትአን ኣብ ኤስያ ዝርከባ - ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ንዝተመዝገበ ዝበዝሐ ህዝቢ ይሕዛ። ካብ 2011 ጀሚሩ፡ 700 ሚሊዮን ሰባት እዮም ተወሲዀም። ህንዲ፡ ብውሑድ ብ180 ሚሊዮን ሰባት ክትዓቢ እንከላ፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ነታ ብብዝሒ ህዝቢ ኣብ ዓለም ቀዳመይቲ ዘላ ቻይና ክትርከባ እያ። እዚ፡ ዳርጋ ኣብ 2000 ዓመታት ንፈለማ እዋን ዝርአ ዘሎ እዩ። ቻይና፡ ኣብ 1980ታት ፖሊሲ ሓደ ቈልዓ ድሕሪ ምትእትታዋ፡ መጠን ወሊድ ነክዩ እዩ። ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ድማ፡ ኣብ ስርሐንን ትምህርተንን ትኹረት ንምግባር ደንጒየን ክወልዳ ጀሚረን። ኣብ መጻኢ፡ ዝለዓለ ወሰኽ ብዝሒ ህዝቢ ከርእያ እየን ናብ ዝብሃላ ሃገራት ክንመጽእ እንከለና ድማ፡ ዓለማዊ ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ጠርዚ ቅድሚ ምብጽሑ ዝውሰኹ 2.4 ቢሊዮን ሰባት መብዛሕትኦም፡ ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ዝውለዱ ከምዝኾኑ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። እዚ፡ ሃገራት ኣንጎላ፣ ቦትስዋና፣ ካሜሩንን ማእኸላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃን ዝርከብአን ሃገራት ዝሓዘ እዩ። ክኢላታት ግን፡ ፍጥነት ቅልጡፍ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ክዝሕትል ከም ዝጀመረ ይዛረቡ። እዚ ማለት ድማ ብዝሒ ህዝቢ ዓለምና ትሸዓተ ቢሊዮን ንምብጻሕ ኣስታት 15 ዓመታት ክወስድ እዩ። ክሳብ 2037 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ብዝሕና ትሸዓተ ቢሊዮን ኣይክመልእን እዩ፤ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ድማ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ዝርከቡ ሰባት ውሑዳት ቆልዑ ይወልዱ ምህላዎም እዩ። ኣብ 1960ታት፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ሓሙሽተ ቈልዑ ትወልድ ነይራ፤ ኣብዚ እዋን ግና እቲ ማእከላይ ገምጋም ፍርቂ ናይዚ እዩ። እዚ ማለት፡ ብማእከላይ ገምጋም ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ 2.4 ቈልዑ ትወልድ ኣላ። ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2080ታት ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ናብ ኣስታት 10.4 ቢልዮን ሰባት ክዓቢን ክሳብ 2100 ኣብኡ ከም ዝጸንሕን ይግምት። እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ብዝሒ ህዝቢ፡ ጥዕና ህዝቢ፡ ኣመጋግባ፡ ውልቃዊ ጽሬትን ሕክምናን ክሳብ ክንደይ ከም ዝተመሓየሸ ዘርኢ ብምዃኑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ከም ዓብዪ ዓወት ይርእዮ። እንተዀነ ብድሆታት እውን ከርኢ ይኽእል እዩ። ማይ፣ መግብን ቦታን ንምርካብ ምስ እንስሳን ንሓድሕዶምን ዝጋጨው ሰባት ኣብ ምድሪ ዝያዳ ምህላዎም ኣብ ተፈጥሮ ዝያዳ ጸቕጢ ይፈጥር’ዩ። እዚ ድማ ኣብ ዝቕጽሉ ዓሰርተታት ዓመታት ጃምላዊ ስደትን ግጭትን ከስዕብ ከም ዝኽእል ክኢላታት ይገልጹ። ብፍላይ ጽንኩር ክሊማዊ ለውጢ ንገለ ክፋል  ኣፍሪቃን ካልኦት ሃገራትን ኣዝዮም ክውዕዩ ክገብሮም ስለ ዝኽእል፡ ንምንባር ዘይምቹኣት ክዀና ይኽእላ እየን። ብዙሓት ሰባት ኣለው ማለት፡ ኣብ ባይታ ውሑድ ጸጋታት ኣሎ ማለት እዩ። ስለዚ መንግስታት እውን ሰባትን ሃገራትን ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዓለም ዘለዋ ጸጋ ብኸመይ ይጥቀሙሉ ንዝብል ምሕሳብ ከድልዮም እዩ። እዚ፡ ኣጠቓቕማ ጸዓትን ኣብ ክሊማዊ ለውጢ ዘለዎ ጽልዋን ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ብፍላይ ብዝሒ ህዝበን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ሃገራት ጸዓት ከርሰ ምድሪ ምጥቃም እንተቐጺለን ክፈጥሮ ዝኽእል ጸቕጢ ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎም። ብተወሳኺ፡ ኣብዛ ፕላኔት ዝያዳ ሰባት ምህላዎም ኣብ ልዕሊ ከባቢ ጽልዋ ከሕድሩ’ዮም። በዚ፡ ልቀት በከልቲ ጋዛት ግሪን ሃውስ ክውስኽ ዝገብሩ ነገራት ምፍራይን ምጥቃምን ከይውስኽ ይስጋእ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c9rl7pvw9eyo"} {"headline":"ኢትዮጵያ ብዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ዝለዓለ ትፅቢት ካብ ዝግበረለን 8 ሃገራት ዓለም ተሰሪዓ","content":"ህንዲ ኣብ ዓመተ 2023 ብብዝሒ ህዝቢ ንቻይና ክትሓልፋ ምዃና ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊፁ። ጸብጻባት እቲ ትካል ከምዘመልከቶ፡ ህንዲ ኣብ ዝመፅእ ዓመት ብዝሒ ህዝባ 1.4 ቢልዮን ስለዝበጽሕ ንቻይና በሊፃ ኣብ ዓለም ቅድሚት ክትስራዕ’ያ። ኣብ ዝመጽእ ሕዳር፡ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ናብ 8 ቢልዮን ክብ ክብል ምዃኑ’ውን እቲ ጸብጻብ ይእምት። ዕቤት ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ግን ካብቲ ዝጸንሐ ከምዝጎደለ'ውን ተገሊጹ። ኢትዮጵያ፣ ግብጺን ናይጀርያን ካብተን ልዑል መጠን ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ከርእያ ትጽቢት ዝግበረለን ሃገራት ዓለም’የን። ድሕሪ 1950ታት ወሰኽ ህዝቢ ዓለም ሎሚ ኣብቲ ዝተሓተ ናህሪ ዕብየት ከምዝርከብ ዝሓበረ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመታት ብዝለዓለ ናህሪ ክብርኽ ምዃኑ ኣመልኪቱ። ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ኣብ ከባቢ 2080ታት ኣስታት 10.4 ቢልዮን ከምዝበፅሕ’ኳ እንተተገመተ፡ ገለ ተመራመርቲ ስነ-ህዝቢ ግን እዚ ኣቐዲሙ ክብጻሕ ከምዝኽእል ይግምቱ። ልዕሊ ፍርቂ ናይቲ ኣብ ዝቕጽሉ 30 ዓመታት እንርእዮ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ኣብሸሞንተ ሃገራት ጥራይ እዩ ከጋጥም። እተን ሃገራት ከኣ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ ግብጺ፣ ኢትዮጵያ፣ ህንዲ፣ ናይጀርያ፣ ፓኪስታን፣ ፊሊፒንስን ታንዛንያን እየን። እዚ ከምዚ ከሎ ግን ኣብ ገለ ካብተን ኣዝየን ዝማዕበላ ሃገራት ዓለም፡ መጠን ፍርያምነት (ወሊድ) ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ናብ ትሕቲ 2.1 ቆልዑ ብምውራዱ፡ ምንቁልቋል ብዝሒ ህዝቢ ይረአ ኣሎ። ኣብ 2050 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ብዝሒ ህዝቢ 61 ሃገራት ብውሑዱ ብሓደ ሚኢታዊት ክጎድል ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ይሕብር። ኣብ ዓለም ሓንቲ ካብተን ዝወሓደ መጠን ፍርያምነት (ማለት ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ 1.15 ቆልዑ) ዘለዋ ቻይና፡ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተገመተ ኣዝዩ ብዝቐልጠፈ ብዝሒ ህዝባ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ምንካይ ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጣ’ላ። እታ ሃገር ኣብ 2016 ናይ ሓደ ቆልዓ ፖሊሲኣ [‘one child policy’] ብምእላይ፡ መጻምድቲ ክልተ ወይ ልዕሊኡ ቆልዑ ንኽወልዱ መተባብዒታት እትህበሉ መስርሕ ኣተኣታትያ እንከላ እዩ ምንካይ ብዝሒ ህዝቢ ከጋጥማ ምዃኑ ዝግለፅ ዘሎ። ብዝሒ ህዝቢ ህንዲ እናወሰኸ ይመፅእ ብምህላዉ ከኣ፡ ነቲ ኣብ ዓለም ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ዝብል ስም ካብ ቻይና ክትወስዶ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ሳላ ምዕባለታት ሕክምናን ሳይንስን፡ ብዙሓት ህጻናት ጥዕንኦም ተሓልዩ ናብ ማእከለይ ዕደመ ዝበጽሑሉን፡ ብዙሓት ዓበይቲ ድማ ናብ እርጋን ዝበቕዑሉ ኩነታት ኣሎ። እቲ ኩነታት ክቕጽል ተኽእሎ ብምህላው፡ ​​ኣብ 2050 ዓለማዊ ማእከላይ ገምጋም ዕድመ ሰባት ከባቢ 77.2 ዓመት ክኸውን’ዩ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ckvnwq8x1p5o"} {"headline":"ንጸሊም ሕብሪ ቆርበት እትጣበቕ ህንዳዊት ሞዴል","content":"ኣብ ህንዲ ስርሓቲ ሞዴሊንግ እትነጥፍ ራቻል ኣብ ትውልዲ ሃገራ ሰባት ብርህ ዝበለ ሕብሪ ቆርበት ንዘለዎም ሰባት ኣጉል ህንጡዩነት ከምዘርእዩ ብምግላጽ ንሳ ነዚ ኣተሓሳስባ ንምቕያር ከምእትሰርሕ ሓቢራ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c0vl7jj309eo"} {"headline":"ኵናት ዩክረይን፡ ኣብ ዩክረይን መውጽኢ ዝሰኣኑ ኣፍሪቃውያን ውርጪ (ስኖው) እናምከኹ ክሰትዩ ተገዲዶም","content":"ኣብታ ብሓይልታት ሩስያ መጥቃዕቲ ዝበጽሓ ዘሎ ሰሜን-ምብራቓዊት ከተማ ሳሚ ብዙሓት ወጻእተኛታት ተቐርቂሮም ይርከቡ። ካብ ሞንጎ እቶም ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ድማ ናይጀርያውያን፣ ጋናውያንን ሶማሊያውያንን ተምሃሮ ኣለዉ። ምግቢ ኣብ ዕዳጋ ኣይርከብን፤ ጥረ ገንዘብ ክተውጽአሎም እትኽእል ማሽናት ኣይሰርሑን፤ ዝስተ ማይ ዝሰኣኑ እቶም ተምሃሮ ‘ስኖው’ [ውርጪ] እናምከኹ ክሰትዩ ምጅማሮም ይግለጽ። ካብ ሞንጎ ኣብታ ከተማ ተቐርቂሮም ዘለዉ ተምሃሮ ሓደ ዝኾነ ህንዳዊ ቪፒን ያዳቭ፡ ኣስታት 1,300 ተምሃሮ መውጽኢ ስኢኖም ከምዘለዉ ተዛሪቡ’ሎ። ባንግላዲሻውያን፣ ፓኪስታናውያንን ቱርካውያንን እውን ይርከብዎም። ያዳቭ ምስ ቢቢሲ ብስልኪ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ መዓልታት ዝብላዕ ነገር ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ ተዛሪቡ። መንግስታት ናይጀርያን ጋናን ነቶም ካብ ኲናት ዩክረይን ዝሃድሙ ዘለዉ ዜጋታቶም ናብ ሃገሮም ኣብ ምምላስ ይርከቡ። ፈላሞት ተጓዓዝቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ሃገሮም ምእታዎም ይዝከር። ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ክሳብ ዝፈጸመትሉ እዋን ልዕሊ 1000 ጋናውያን ኣብታ ሃገር ይነብሩ ነይሮም። እታ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዛጊድ ክልተ ጊዜ ዜጋታታ ናይ ምምላስ በረራታት ኣካይዳ’ላ። ናይጀርያ ብወገና ካብ ዩክሬን ሃዲሞም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሮማኒያ፣ ፖላንድን ሃንጋሪን ዝኣተዉ 5,000 ዜጋታት ክተውጽእ ትጽቢት ይግበር። ብመሰረት ጸብጻብ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ልዕሊ 10 ሽሕ፡ ኣብ ዩክረይን ዝጸንሑ ኣፍሪቃውያን ተመሃሮ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክሃድሙ ክኢሎም ኣለው። እንተዀነ እዞም ተመሃሮ ኣብ ዶባት ዝተፈላለያ ሃገራት ዓሌታዊ ኣድልዎ ይገጥሞም ከም ዘሎ ዝሕብሩ ጸብጻባት ይወጽኡ ኣለው። ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዝርግሑ ዘለው ኣሳእል ከም ዘርእይዎ'ውን፡ ሰበስልጣን ዩክረይን ዶብ ንከይሰግሩ ይኽልክልዎም ከም ዘለው እዩ። ናይጀርያዊት ተመሃሪት ኣብ ዩክረይን፡ \"ጸሊም እንተዄንካ ብእግርኻ ክትከይድ እዩ ዘለካ ኢሎምና\" ትብል። ልክዕ ቍጽሪ ንምርግጋጹ ገና'ኳ እንተዘይተኻእለ፡ ኣማኢት ተመሃሮ ገና ኣብ ዩክረይን ከም ዘለው እዩ ዝግመት። ሓደ ህንዳዊ ተመሃራይ፡ ኣስቤዛ ክገብር ኢሉ ምስ ወጽአ ከም እተቐትለ ተፈሊጡ ኣሎ። ሓደ ተመሃራይ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ ቅድሚ እዚ ኵነታት ምኽሳቱ፡ ትምህርቲ ናብ 'ኦንላይን' ክቕየረሎም ይሓቱ ከም ዝነበሩን፡ እተን ዩኒቨርሲታት ግን ከም ዝነጸጋኦም እዩ። \"እታ ዩኒቨርሲቲ ነቲ ሕቶን ነቲ ኵነታትን ሸለል ኢላቶ\" ሜሪ ዝተባህለት፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዩክረይን ብዓውዲ ሕክምና ናይ መወዳእታ ዓመት ትምህርታ ተጽነዕ ዝነበረት ናይጀርያዊት ትገልጽ። ንሳ ከም ዝበለቶ፡ ንምምሕዳር ዩኒቨርሲቲ ኣቐዲሞም ንኽወጽኡ ከም ዝሓተቱን ከም ዝተነጽጉን እዩ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60644381"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ህንዲ ስፑትኒክ ላይት ኣብ መዓል ክውዕል ፍቓድ ሂባ","content":"ህንዲ ስፑትኒክ ላይት ዝሰመየቶ ሓንቲ ብልቃጥ ጥራይ ዝውሃብ ሓዲሽ ክታበት ጸረ ኮሮናቫይረስ ኣብ መዓል ክውዕል ፍቓድ ሂባ። ሚኒስተር ጥዕና ህንዲ ማንሱክ ማንዳቪያ ብትዊተር ከም ዝገለጾ፡ እዚ ሓዲሽ ኣብ ህንዲ ዝተሰረሐ ክታበት ኣብ ህጹጽ እዋን ከም ክታበት ክውሃብ ከም ዝተፈቐዶ ኣፍሊጡ። ህንዲ ክሳብ ሕጂ ንትሽዓት ክታበታት ጸረ ኮሮናቫይረስ ኣብ ሃገራ ኣብ መዓላ ክውዕል ምሉእ ፍቓድ ሂባ ኣላ። ኣብ ህንዲ 1.7 ቢልዮን ብልቃጥ ኣብ መዓላ ውዒሉ ይርከብ። ልዕሊ 18 ዕድሚኦም ህንዳውያን 76 ሚኢታዊት ክኽተቡ እንከለዉ፡ ልዕሊ 99 ሚኢታዊት ካብ እኹላት ህንዳውያን ብውሕዱ ሓንቲ ብልቃጥ ተኸቲቦም ኣለዉ። ህንዲ ካብ 10 ጥሪ ጀሚራ ንሰራሕተኛታት ትካላት ጥዕናን ንልዕሊ 60 ዓመቶምን ሓይሊ ዘደልብ ክታበት [ቡስተር] ክትህብ ጀሚራ ኣላ። ህንዲ ሓንቲ ካብተን ብኦሚክሮን ዝዓይነቱ ሓዲሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ልዑል ቁጽሪ መልከፍቲ ዘመዝገባ ሃገራት እያ። ኣብ 20 ጥሪ ኣብ ሓደ መዓልቲ 347 ሽሕ ሓዲሽ መልከፍቲ ኣመዝጊባ ነይራ፤ እዚ ኸኣ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝልዓለ ቁጽሪ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ግን መዓልታዊ መልከፍቲ ኣስታት 100 ሽሕ እዩ ኮይኑ ዘሎ። እዚ ስፑትኒክ ላይት ዝተሰመየ ሓዲሽ ክታበት ድቓል ናይቲ ሩስያ ዝሰረሓቶ ስፑትኒክ ቪ ዝተባህለ ክታበት ጸረ ኮሮናቫይረስ'ዩ። ክታበት ስፑትኒክ ላይት ሓይሊ ንምድላብ ልዑል ብቕዓት ከም ዘለዎ፣ ሓንቲ ብልቃጥ ክንዲ ክልተ ብልቃጥ ስፑትኒክ ቪ ኮሮናቫይረስ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከም ዘለዋን፡ ሓይሊ ተኸታቢ ኣብ ምድላብ'ውን ልዑል ብቕዓጥ ከም ዘለዎ ህንዳውያን ተመራመርቲ መስኪረምሉ ኣለዉ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60298784"} {"headline":"ጠንቂ ርእሰ ቅትለት ሰብ ሓዳር ደቂ ኣንስትዮ ህንዲ እንታይ እዩ?","content":"ብመሰረት ሓዲሽ ካብ ሃገራዊ ጸብጻብ ገበናት ህንዲ [NCRB] ዝወጽአ ጸብጻብ፡ ኣብ 2020 22 ሽሕን 372 ህንዳውያን ሰብ ሓዳር ርእሰ ቅትለት ፈጺመን ይብል። እዚ ማለት መዓልታዊ 61 ህንዳውያን ሰብ ሓዳር ርእሰ ቅትልት ይፍጽማ ማለት እዩ። ዝያዳ ንምርድኡ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 25 ደቂቕ ሓንቲ ህንዳዊት ብዓልቲ ሓዳር ርእሰ ቅትለት ትፍጽም። ኣብ 2020 ኣብ ህንዲ ካብ ዝተፈጸመ 153 ሽሕን 052 ርእሰ ቅትለት እተን 14.6 ሚኢታዊት ሰብ ሓዳር ደቂ ኣንስትዮ ክኾና እንከለዋ ኣብ ህንዲ ካብ ዝተፈጸመ ርእሰ ቅትለት እቲ ልዕሊ 50 ሚኢታዊት ብደቂ ኣንስትዮ እዩ ዝፍጸም። ካብ 1997 ጀሚሩ ዝተኣከቡ ሰነዳት ኣብታ ሃገር ዓመታዊ ልዕሊ 20 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ሰብ ሓዳር ርእሰ ቅትለት ይፍጽማ። ኣብ ዓመተ 2009 ኸኣ እቲ ቁጽሪ ናብ 25092 ክብ ኢሉ ነይሩ። ብዙሕ ግዜ እቲ ምኽንያት ናይ ርእሰ ቅትለት 'ጸገማት ስድራ' ወይ'ውን 'ኣብ ሓዳር ብዘጋጥም ጸገም' እናተባህለ እዩ ብድፍኑ ዝግለጽ። እንተኾነ እቲ በዞም ምኽንያታት ተጎልቢቡ ዝሓልፍ ዘሎ ጠንቂ ርእሰ ቀትለት ሰብ ሓዳር ደቂ ኣንስትዩ ህንዲ እንታይ እዩ? ሓካይም ስነ ኣእምሮ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኾነ ዘቤታዊ ዓመጻት ከም ዝኾነ ብምግላጽ፡ ኣብ ቀረባ እዋን መንግስቲ ብካየዶ መጽናዕቲ'ውን 30 ሚኢታዊት ካብ ሰብ ሓዳር ዲቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ቤተን ብመጻምደን ዓመጻት ከም ዘጋጥመን እየን ኣረጋጊጸን። ኣብ ከተማ ቫራነሳይ ሓኪም ስነ ኣእምሮ ዝኾነት ዶክተር ኡሻ ቨርማ ሰሪቫስታካ \"ደቂ ኣንስትዮ ናይ ብሓቂ [ነቲ ዓመጻት] ብስቅታ እየን ዝሓለፍኦ ዘለዋ፤ እንተኾነ ተጻዋርነት'ውን ደረት ኣለዎ\" ትብል። ብምስዓብ \"ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ልክዕ 18 ዓመት ምስ ደፈና እየን ዝምርዓዋ። ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብዚ ዕድሚኣ በዓልቲ ሓዳርን ኣደን ትኸውን። በዚ ምኽንያት ዝበዝሕ ግዝኣ ኣብ ገዛ መግቢ እናሰርሐት፣ ገዛ እናጽረየትን ካልእ ስራሕቲ እናወገነትን ተሕልፎ። ኩሎም ኽልኸላታት ክኣ ኣብ ርእሲኣ ስለ ዝኾኑ ናጽነታ ይድረት። መዋእላ ኣብ ትሕቲ ወግዓዊ ዘይኮነ መቁሕ እየን ተሕልፎ፣ ገንዘብ ኣይትረክብን\" ትብል። ስለ ዝኾነ ድማ \"ቀስ ብቀስ ሕልማን ትምህርታን ዋጋ ክስእን ይጅምር። እዚ ተደሚሩ ድማ ሕርቃንን ቅብጸት ተስፋን የምጽኣላ። እዚ እታ ጓል ኣንስተይቲ ብስቓይ'ያ ትሓልፎ\" ትብል ዶክተር ኡሻ ቨርማ ሰሪቫስታካ። ኣብተን ዕብይ ዝበላ ሰብ ሓዳር እቲ ጠንቂ ርእሰ ቅትለት ካብዚ ፍልይ ዝብል ምዃኑ ከኣ ተረድእ። \"ዝበዝሓ ደቀን ኣኺሎም ነናብ ሓዳሮምን ዋኒኖምን ምስ ከዱ ባዶነት ይስመዐን። ኣብ እዋን ንጽፈ ጽግያት ዘጋጥም ጸቅጢ ኣእምሮ ኣብ ጎነን ኮይኑ ኣጆኺ ዝብለንን ንብዓተን ዝደርዝን ኣይረኽባን፤ ምስቲ ኣቐዲሙ ዘጋጥመን ዝነበረ ውህሉል ጸቅጥታት ናብ ርእሰ ጽልኣትን ርእሰ ቅትለትን\" ከም ዘምርሐን ትሕብር። እንተኾነ ርእሰ ቅትልት ብቀሊሉ ክውገድ ዝኽእል ምዃኑ ዶክተር ኡሻ ቨርማ ሰሪቫስታካ ትገልጽ። \"ኣብታ ከምዛ ሓሳብ እዚኣ ትመጽኣላ ህሞት ነታ ካልኢት ከስግራ ዝኽእል ሰብ ኣብ ጎነን እንተሃልዩ ደው ክብል ዝኽእል ክስተት እዩ\" ኢላ። ክኢላ ሕክምና ኣእምሮ [ሳይካትሪስት] ሳማቱራ ፓትረ ነቲ ኣብ ህንዳውያን ሰብ ሓዳር ዝርአ ተደጋጋሚ ርእሰ ቅትለት \"ሰብኣይ ካብ ደገ ናብ ገዛ ይኣቱ፤ ንሰበይቱ ይሃርማ፤ ንሳ ኸኣ ርእሰ ቅትለት ትፍጽም\" ብምባል እያ ኣሕጽር ኣቢላ ገሊጻቶ። ሓደ ብውልቂ ብዘይሻራዊ ኣካል ዝተገበረ መጽናዕቲ ከም ዘርእዮ ኣብ ህንዲ ርእሰ ቅትለት ካብ ዝፈጸማ ሰብ ሓዳር ደቂ ኣንስትዮ እተን ሓደ መሰለስ ኣቐዲመን ዘቤታዊ ዓመጻት የጋጥምን ከም ዘሎ ሓቢረን ዝነበራ ምዃነን የርኢ። እንተኾነ ኣብቲ ብሃገራዊ ጸብጻብ ገበናት ህንዲ ዝተዋህበ ጸብጻብ ኣብ ጠንቂ ሞት ዘቤታዊ ዓመጻት ዝብል ኣይሰፈረን። ሓኪም ስነ ኣእምሮ ዶክተር ቻይታይ ሲንሃ፡ ኣቐድም ኣቢላ ኣብ ሙምባይ ኣብ ናይ መንግስቲ ሆስፒታል ንሰለስተ ዓመታት ሓኪም ስነ ኣእምሮ ኮይና ስሪሓ እያ። ኣብቲ ሕምክምና ፈተነ ርእሰ ቅትለት ዘካይዳ፡ ሞያዊ ምኽሪ ትህብ ከም ዝነበረት ኸኣ ትሕብር። እቲ መጠን ርእሰ ቅትለት ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝወሰኸ ከኣ ዶክተር ቻይታይ ሲንሃ ትሕብር። \"ቅድሚ ለበዳ ምኽሪ ዝደልያ ይመጽኣና ነይረን እየን፡ ዕጽዋታት ምስ ተኣወጀ ግን ምስቶም ዝቕጥቅጡወን ኣብ ሓደ ገዛ እየን ተዓጽየን። ውጽእ ኢለን ምስ ካልእ ከይማኸራን ዕብዑበን ከየውጽኣን ኸኣ ዕጽዋ ኮይኑ። እታ ሓንቲ ኣብ ርእሰን ትመጽን ነገር ርእሰ ቅትለት እያ ብኸምዚ ብዙሓት ጠፊአናና እየን\" ትብል። ህንዲ ብደረጃ ዓለም እታ ዝበዝሐ ርእሰ ቅትለት ዝፍጸመላ ሃገር እያ። ኣብ ዓለም ርእሰ ቅትለት ካብ ዝፍጽሙ ደቂ ተባዕትዮ ድማ እቶም ሓደ ርብዒ ህንዳውያን እዮም። ብደረጃ ዓለም ካብ 15 ክሳብ 39 ዓመትን ርእሰ ቅትለት ካብ ዝፍጽማ ደቂ ኣንስትዮ እተን 36 ሚኢታዊት ህንዳውያን እየን። እንተኾነ እቲ መንግስቲ ህንዲ ዝህቦ ብዝሒ ርእሰ ቀትልት ዝፈጸሙ ዜጋታቱ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ብምንጽጻር ኣዝዩ ውሑድ እዩ ዝብሉ ኣለዉ። ዶክተር ፓትረ ኣብ ህንዲ ብዛዕባ ርእሰ ቅትለት ብኽፉት ዘተ ከም ዘይግበርን ንምግትኡ እኹል ስጉምቲ ይውሰድ ከም ዘየሎን እዩ ዝገልጽ። \"ሓደ ኣባል ስድርኡ ብርእሰ ቅትለት ዝሞቱ ሰብ ኣዝዩ እዩ ዝሽቁረርን ክሓብኦ ዝፍትንን፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት'ውን እቶም ሃፍታማት ብርእሰ ቅትለት ዝሞተ ሰቦም ብሓደጋ ከምዝሞተ ክም ዝገበሎም ንፖሊስ ብላዕ [ጉቦ] ይህቡ'ዮም\" ኢሉ። ብምስዓብ \"ኣብ ህንዲ ፈተነ ርእሰ ቅትለት ገይሮም ተባሂሎም ዝተመዝገቡ እንተርኢና ኣዝዩ ትሑት እዩ። ብደረጃ ዓለም እንተርኢና ቁጽሪ ናይቶም ፈተነ ርእሰ ቅትለት ገይሮም ተባሂሎም ዝተመዝገቡ ሰባት ዕስራ ዕጽፊ ናይቶም ርእሰ ቅትልት ዝገብሩ እዩ። ህንዲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 150 ሽሕ ርእሰ ቅትለት ተመዝጊቡ። በዚ መሰረት እቲ ፈተነ ርእሰ ቅትለት ክሳብ 3 ሚልዮን እዩ ክኸውን ዝግብኦ\" ይብል። ዶክተር ፓትረ ኣብ መወዳእታ \"ሕቡራት ሃገራት ክሳብ 2030 መጠን ርእሰ ቅትለት ብሓደ መሰለስ ከጉድሎ እዩ ውጥን ኣውጺኡ ዘሎ። እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ህንዲ መጠን ርእሰ ቅትልት ብ10 ሚኢታዊት እዩ ወሲኹ\" ብምባል ኣብ ህንዲ ብኣንጻሩ ምዃኑ ኣብሪሁ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59678677"} {"headline":"ህንዲ: 13 ዕዱማት መርዓ ናብ ዒላ ጸዲፎም ሞይቶም","content":"ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ ግዝኣት ኡታር ፕራደሽ፡ ብውሑድ 13 ዕዱማት መርዓ ናብ ጉድጓድ ጸዲፎም ሞይቶም። እቶም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝኾኑ ግዳያት ኣብ ዝባን ብሓጺን ዝተኸደነ ዒላ ኮፍ ኢሎም ስነስርዓት እቲ መርዓ ይሳተፉ ከምዝነበሩ ፖሊስ ኣፍሊጡ። ካልኦት ክልተ ተወሰኽቲ ሰባት እውን ጉድኣት በጺሑዎም ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ነቲ ሓደጋ \"ልቢ-ዝሰብር\" ክብል ገሊጽዎ። እቲ ሓደጋ ብረቡዕ ምሸት ስድራ ቤት \"ሃልዲ\" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ገጽ መርዑ ቀለም ናይ ምልካይ ስነ-ስርዓት ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን እዩ ኣጋጢሙ። ምስባር መሸፈኒ እቲ ዒላ ስዒቡ እቶም ግዳያት ምስ ጸደፉ፡ ካልኦት ተዓደምቲ ቀልጢፎም ኣውጺኦም ናብ ሕክምና ወሲዶምዎም። እቶም 11 ሽዑ ንሽዑ ከምዝሞቱ ዝተገለጸ ኮይኑ እቶም ክልተ ግና ሕክምና እናተገበረሎም ከምዝዓረፉ ፖሊስ ገሊጹ። ኣመሓዳሪ እታ ግዝኣት ንስድራ ግዳያት ሓገዝ ክግበረሎም ንሰብ መዚ እቲ ከባቢ ሓቲቱ ኣሎ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60418666"} {"headline":"ስነ-ጥበብ፡ ስለ ምንታይ'የን ደቂ ኣንስትዮ ንሻህ ሩክ ካን ዝፈትውኦ?","content":"ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣፓርና ኣሉሪ \" ስለምንታይ ኢኹም ንሻ ሩክ ካን ትፈትዉዎ?\" ክትብል ንገለ ሰባት ሓቲታ። ናይ ጅግና ባህሪያት ዝተላበሰ \"ምዕሩግ\" ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ዝገብሮም ቃለ መሕትት \" ግልጺ፡ ቀያዕን መስሓቕ\"ን ብምዃኑ፡ ዝናን ገንዘብን ንምርካብ ድሕር ስለ ዘይብል፡ ዝብል ምላሽ ሂቦምዋ። ካልእ'ከ ክትብል ሕቶታት ምስ ወሰኸት ከኣ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ድራማታት ብዝላበሶም ገጸ ባህርያት ንደቀንስትዮ ብዝህቦ ክብርን ንፍቕርን ብዘለዎ ኣጠማምታን ከም ዝፈትውኦ ይዛረባ። \"ሓቂ'ዩ! ንደቂ ኣንስትዮ ብዘለዎ ፍቕሪ ኢና ንፈትዎ\" ትብል ሓንቲ ወሃቢት ርኢይቶ። ደራሲት ሽራያና ብሃታቻር ንብዙሓት ኣድነቕቲ ካን ደቀንስትዮ ሓቲታ ዝረኸበቶ መልሲ ተመሳሳሊ እዩ። \" እተን ደቀንስትዮ ኣብ ህይወት ብዘጋጠመን ጸገም ንሻህ ሩክ ካን ከድንቓ ከምዝጀመራ ነጊረናኒ\" ክትብል ጽሒፋ። ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፍቕርን ናብራን ዝነብረን ሕልምታት ስለዘይሰምረለን ዝሓድረን ጓህን ጭንቅን ይርምሰን። እዚ ብታህዋኽ ዝተገብረ ዳህሳስ ኣይኮነን። ኣብ ሰሜን ህንዲ ምስ ዝቕመጣ መሓዙታ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮን ንኣስታት 20 ዓመት ምስ ዝተመርዓዋን ዘይተመርዓዋን፣ ምስ ሂንዱን ቡድሃን፣ ኣስላምን ክርስትያንን፣ ምስ ሕጉሳትን ጉህያትን፣ ምስ ዝሰርሓን ዓዲ ውዒልን ዝተገብረ ወግዕን ዝርርብን ዝበጽሓቶ መደምደምታ እዩ። ይኹን እምበር ኩለን ቲፎዞን ኣድነቕቲ እቲ ህቡብ ስነ ጥበባዊ ቦሊውድ ሻህ ካን እየን። ሻህ ካን፡ ካብ 1990ታት ኣትሒዙ እዩ ኣብ ልቢ ብዙሓት ህንዳውያን ኣትዩ። ኣብቲ እዋን'ቲ ህንዲ ቁጠባዊ ዕረያ፡ ጽገናታት ብምግባር ዕዳጋኣ ንዓለም ዝኸፈተትሉ ግዜ እዩ። ሽዑ ኮካ ኮላን ቴሌቪዥንን ኣብታ ሃገር ተኣታትዩ። \"ታሪኽ እተን ድሕሪ ቁጠባዊ ጽገና ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ክነግር እንከለኹ፡ ኣብ ጉዳይ ቲፎዞነት ሻህ ግን ዘይተልምደ ሓደ ኮይነን ረኺበየን። ግን ስለ ምንታይ?\" ትብል ጸሓፊት ሽራያና ብሃታቻርያ። እታ ጸሓፊት፡ ኣብ 2006 ኣብ ምዕራብ ህንዲ ኣብ ዝርከብ ሻውል ዑድ እናሰርሓ ዝነባበራ ብተደጋጋሚ ብዘቕርብኦ ጥርዓን ክፍሊት ዝተሰላቸዋ ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት መጽናዕቲ እናካየደት ኣብ ናይ ዕረፍቲ ግዜኣ ብዛዕባ ኣብ ቦሊውድ ዘድንቐኦ ኮኸብ ትሓተን ነይራ። \"ብዛዕባ ዘሐጉሰን ነገር ክዛረባ ድሉዋት ነይረን። እቲ ዝፈትወኦን ዘድንቐኦን ሰብ ከኣ ሻህ ካን እዩ\" ትብል። እዚ ኸኣ ቀጻሊ ዳህሳስ ንክትገብር መገዲ ኸፊቱላ። በዚ መሰረት፡ ሽራያና እተን ደቂ ኣንስትዮ ብካን ጥራይ ዘይኮነ \"በቲ ዘይምዕሩይ ዕዳጋ ዕዮን ክፍሊት ሰራሕተኛታትን ኣብ ገዛ ዘጋጥመን ሕልኽላኽን\" ዝተኣሳሰራ ምዃነን ከም ዝተገንዘበት ትዛረብ። ብዛዕባ'ዚ ብዝምልከት ነተን ማእከላይ እቶት ዘለወን ወይ ሃብታማት ደቂ ኣንስትዮ ክተዛርብ እንከላ እውን ኣይተቐየረን። ስለ ምንታይ'ዮም ኩሎም ደቂ ተባዕትዮን ሰብኡትን ከም ሻህ ሩክ ካን ዘይኾኑ? ዝብል ሓበራዊ ሕቶ ነበረን። \"ኩለን ከኣ በቲ ኣብ ህይወተን ዘሎን ዝምነይኦን ተደሪኸን [ንካን] ኣብ ውሽጠን ይፈጥርኦ ነይረን\" ትብል። ሻህ ካን፡ ንመብዛሕተአን ደቀንስትዮ፡ ንጓል ኣንስተይቲ ጽን ኢሉ ዝሰምዕን እኹል ኣቓልቦ ዝህብን ጅግና እዩ። እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ድራማታት ዝተላበሶም ገጸ ባህርያት ከኣ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ እትደልዮ ትኽክለኛ መጻምዲ ከምኡ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ምስሊ ፈጢሩለን። ካን፡ ኣዝዩ ቦቕባቕ ልቢ ስለ ዘለዎ ቐልጢፉ ዝነብዕ ሰብ'ዩ፤ ስለ ዝኾነ ፈጺሙ ስምዒቱ ኣይሓብእን'ዩ። \"ከምቲ ንሱ [ካን] ንካጆሎ [ኣብ ፊልም Kabhi Khushi Kabhie Gham] ዘዛርባን ዝሓቑፋን ንዓይ'ውን ከምኡ ዝገብረለይ እንተዝረክብ ኢለ ይምነ፤ ግን እዚ ፈጺሙ ኣይረኸብኩን። ስምዒትን ኣእዳውን በዓል ቤተይ መሪር'ዩ\" ትብል ሓንቲ ሰራሕተኛ ፋብሪካ ዓለባ ኣማኒት ምስልምና ጓለንስተይቲ። እዛ ሃብታም፣ ዘይሕጉስቲ በዓልቲ ሓዳር፡ ንደቃ \"ሕያዎት ሰብኡት\" ከምዝኾኑ ገይራ ከም እተዕብዮም ትዛረብ። ብኣባሃህላኣ \" [ብጸገምን ሽግርን ሰባት] ዝበኽዩን ከምቲ ካን ንዓና ደቀንስትዮ ኣብ ውሽጥና [ፍቕሪ] ከምዝስመዓና ዝገበረ፡ ኣንስቶም ብአኦም ዝፍቀራን ውሑሳትን ምዃነን ከም ዝስመዐን ዝገብሩ\" ማለት እዩ። እዘን ነቲ ስነ ጥበባዊ ዘፍቅራ [ዝንእዳ] ደቂ ኣንስትዮ፡ ነቲ ጎነጻዊ ባህሪያቱ ብዙሕ ኣየድህባሉን እየን። ብቐንዱ በቲ ዝርእይኦ ፊልም ወይ ድራማ እኳ እንተተዘናግዓ፡ እቶም ዘይርኣዩ ዝበሃሉ ኣጋጣሚታት ጥራይ'ዮም ኣብ ውሽጠን ተቐሪጾም ዝተርፉ። Dilwale Dulhania Le Jayenge ካብቶም ካን ኣዝዩ ዝተሰምየሎም ብዙሓት ሰዓብቲ ዘትረፈሎምን ዕውታት ፊልምታት ቦሊውድ ሓንቲ እያ። ሓንቲ ካብ ኣድነቕቲ ካን ዝኾነት ኣደ \"ሓደ ጅግና፡ ካሮት እናልሓጸ፡ ምስ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ገዛ ነዊሕ ሰዓታት ከሕልፍ ንመጀመርታ ግዜ ርእየ\" ትብል። እዚ ንዕኣ ፍሉይ ስምዒት ዝፈጠረላ ፍቕራዊ ሓልዮት እዩ። ካን፡ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ መዓልታዊ ካብ ዘጋጥመን ወጽዓን ልብኻ ዝሰብር ፍቕራዊ ዝምድናታትን ቁሩብ እልይ ዝብላሉን ዝዘናግዓሉን ኮኾብ እዩ። ንሱ ኮኸብ ቦሊውድ ብምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ርህሩህን ሓላይ ብምዃኑ ክምርዐውኦ ይምነያ። ሓላዩን ኣላይን ሰብኣይ፡ ሰሪሕካ ንክትኣቱን፡ ገንዘብ ክትዓቁር ወይ'ውን ሕልምታትካን ትምኒትካን ንክትገብር ዘፍቅድ'ዩ ካብ ዝብል እምነት ዝብገስ'ዩ። ብዙሓት ድኻታት ኣድነቕቲ ካን ግን እቲ ንነዊሕ እዋን ዝሰርሖም ፊልምታት ንክርእያ'ኳ ዕድል እንተዘይረኸባ ብሙዚቃታቱ ግን ኣብ ልበን ኣንጊሰንኦ እየን። \"ጓል ኣንስተይቲ ንሓደ ተዋሳኢ ይፈትዎ እየ ክትብል እንከላ፡ ነቲ ወዲ ተባዕታይ ክመስሎ ዝግባእን መዐቀኒ ገይራ እትወስዶም ባህርያትን እዩ\" ትብል እታ ጸሓፊት። ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ትሕቲ ዓራተን ስእልታት ካን ዘለዎ [ፖስተራት] ብምሕባእ ብሙዚቃታቱን ፊልምታቱን እናተዘናግዓ ይፍስሃ። በዚ ድማ ኣብ ገሃድ ህይወተን እንታይ ከም ዝደልያ ክግንዘባ ክኢለን። ብኻልእ ወገን ግን፡ ካን ንብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈላለዩ ነገራት ምሂሩወን እዩ። ሓንቲ ጓለንስተይቲ፡ በቶም ካን ዝህቦም ቃለ መሕተት ኢንግሊዝኛ ከም ዝተማህረት ትዛረብ። ኣፓርና ኣሉሪ ከኣ ሂንዲ ከም ዘምሃራ ትገልጽ። ካብኡ ሓሊፉ ግን ትብል ጸሓፊት ሽራያና ብሃታቻርያ፡ ካን ኣብ ቦሊውድ ካብ ዝፍለጥ ንድሓር ብዙሕ ነገር ተለዋዊጡ እዩ። \"መናእሰያት ደቂ ኣንስትዮ፡ ንካን ክምርዓውኦ ኣይደልያን። እቲ ንሱ ዘለዎ ብልጫን ዓወትን ግን ክውንና ይደልያ\" ትብል። ጸሓፊት ሽራያና ብሃታቻርያ፡ Desperately Seeking Shah Rukh: India's Lonely Young Women and the Search for Intimacy and Independence ዝብል መጽሓፍ ዝጽሓፈት'ያ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59449755"} {"headline":"ንትምህርቲ ዕድመ ኣይድርቶን’ዩ: ኣብ 104 ዓመተን ፊደል ዝቖጸራ ኣደ","content":"ወይዘሮ ኩቲያማ ዕድሚአን ንኻልኦት ብምክንኻን እየን ኣሕሊፈንኦ። ናብ ቤት ትምህርቲ ኣይኸዳን፤ ኣብ 16 ዓመተን እየን ተመርዕየን። ሎሚ ኣብ 104 ዕድሚአን ኣብ መርመራ ምንባብን ምጽሓፍን ህንዲ ልዑል ነጥቢ ኣመዝጊበን። ንሰን ፊደል ንክቖጽራ ደቂ ደቀን ከምዘተባብዕወን ይዛረባ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59515764"} {"headline":"ዝጠፍአ ውላዶም ተመሲሉ፡ ን41 ዓመት ኣብታ ስድራ ዝነበረ ሰብ","content":"ኣብ ህንዲ ዝርከብ ቤት ፍርዲ፡ ንሓደ ገበነኛ ኮይኑ ዝረኸቦ ሰብኣይ ክእሰር ፈሪዱ። ገበኑ ግን እንታይ እዩ? ኣብ እንዳ ሓደ ሃብታም ገዛ ወድኹም እየ ኢሉ ን41 ዓመት ምቕማጡ እዩ። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሱቲክ ቢስዋስ ብዛዕባ ምትላልን ምድንጓይ ፍትሒን ዝገልጽ መሳጢ ዛንታ ኣዳልዩ’ሎ። እቲ ፍጻመ ብ1977 [ኣ.ኤ] እዩ ዝጅምር። ኣብ ምብራቓዊት ግዝኣት ቢሃር ዝነበረ፡ ካንሃያ ሲንግ ዝተባህለ ኮተቴ፡ ሓደ መዓልቲ ናብ ገዛኡ እናተመልሰ እንከሎ ጠፍአ። ስድራኡ ከም ዝጠፍአ ንፖሊስ ኣፍሊጦም። እንተዀነ እቲ ዝተገብረ እለሻ ውጽኢት ኣይነበሮን። እቲ ሃብታምን ብዕድመ ዝደፍአን ኣቦኡ ኣብ ጭንቀት ስለዝኣተወ ግን፡ ናብ ናይ ልምዲ ሓኻይም ክመላለስ ይጅምር። ሓደ ናይቲ ቁሸት ሓኪም፡ ወዱ ብህይወት ከምዘሎን ኣብ ቀረባ ግዜ “ከምዝመጽእን” ይነግሮ። ኣብ መስከረም 1981፡ ሓደ ዕድመኡ ገና ኣብ መጀመርታ 20ታት ዝነበረ መንእሰይ ካንሃያ፡ ካብ ዝነብረላ ቁሸት መርጋዋን 15 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ናብ ትርከብ ካልእ ቁሸት መጺኡ። ክዳን ሳፍሮን እዩ ተኸዲኑ። ደርፊ እናደረፈ ድራር እለቱ ከም ዝልምን ነቶም ነበረቲ እታ ቁሸት ይነግሮም። ወሲኹ'ውን \"ወዲ ምርኡይ\" ከም ዝዀነን ኣቦኡ ድማ ኣብ መርጋዋን ከም ዝነብርን ይዛረብ። ብድሕሪኡ ዝተፈጥረ ነገር ብንጹር ኣይፍለጥን። እቲ ዝፍለጥ ነገር፡ ዝጠፍአ ወዱ ከም ዝተመልሰ ክውረ ዝሰምዐ ካመሽዋር ሲንግ፡ ነቲ ወዱ ዝተባህለ ብዓይኑ ክርኢ ናብታ ቁሸት ይኸይድ። እቶም ደድሕሪኡ ዝኸዱ ጐረባብቱ ናይ ሓቂ ወዱ ከም ዝዀነ ምስነገርዎ፡ ነቲ መንእሰይ ሒዙ ንገዛኡ ተመሊሱ። ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ምስ ጓላ ኣብ ምብጻሕ ዝነበረት በዓልቲ ቤት ሲንግ ራምሳኪ ዴቪ፡ ወዳ ከም ዝተመለሰ ወረ ሰሚዓ ንገዛኣ ተመልሰት። ነቲ መንእሰይ ምስረኣየት ግን ወዳ ከምዘይኰነ ብኡ ንብኡ ተረዲእዋ። እታ ኣደ ከም እትብሎ፡ ወዳ፡ \"ብጸጋማይ ገጽ ግንባሩ በሰላ ኣለዎ\" እዚ መንእሰይ ግን በሰላ ኣይነበሮን። ብተወሳኺ፡ ንሓደ መምህሩ ክፈልጦ ኣይከኣለን። ይዅን እምበር ሲንግ ወዱ ከምዝዀነ ድሮ ኣሚኑ እዩ። ድሕሪ ሒደት መዓልታት፡ ራምሳኪ ዴቪ ናብ ፖሊስ ከይዳ እቲ መንእሰይ ንወዶም ተመሲሉ ይዋሳእ ከምዘሎ ገሊጻ ትኸስስ። እቲ መንእሰይ ተታሒዙ ምስ ተኣሰረ ግን ድሕሪ ሓደ ወርሒ ብዋሕስ ተፈቲሑ። ንዝቕጽል ኣርብዓ ዓመት ዝተፈጸመ ነገር ግን፡ እቲ መንእሰይ ዝጠፍአ ወዲ እቲ ዋና መሲሉ ናብ ቤቶም ዝኣተወሉ ዘስደምም ምትላል እዩ። ብዋሕስ እንተ ተፈትሐ'ውን እቲ መንእሰይ፡ ወዲ እቲ ሃብታም መሲሉ ኣብ ኮሌጅ ተማሂሩ፡ ሓዳር ገይሩ፡ ስድራ ኣፍርዩ ከምኡ'ውን ብዙሕ ናይ ሓሶት መንነት ሒዙ ምንባር ቀጺሉ። ነዞም መለለይ መንነት ሒዙ ምርጫ ተሳቲፉ፡ ግብሪ ከፊሉ፡ ሃገራዊ መለለይ መንነት ንኽወሃቦ ባዮሜትሪክስ (ከም ኣሰር-ኣጻብዕ ዝኣመሰለ) ሂቡ፡ ፍቓድ ሽጉጥ ኣውጺኡን ካብ ጥሪት ሲንግ ድማ 37 ሄክታር መሬት ሸይጡን። ምስ ጓል ሲንግ ኣሕዋት ከምዝዀኑ ንምርግጋጽ መርመራ ዲኤንኤ (DNA) ንዘይምግባር ብጽንዓት ተቓሊሱ። እቲ ቤት ፍርዲ ክሳዕ ዝገርሞ ናይ ሓሶት ምስክር ወረቐት ሞት ብምውጻእ፡ ነቲ ናይ ብሓቂ መንነቱ “ክቐትል” ፈቲኑ። እዚ ዛንታ ምትላል'ዚ ብዛዕባ ወግዓዊ ጕድለት ከምኡ'ውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ህንዲ ዘሎ ሕልኽላኽ ዝመልኦ ፍርዲ ዝገልጽ ዘሕዝን መርኣያ እዩ። ኣስታት 50 ሚልዮን ዝዀኑ ጕዳያት ኣብ ኣብያተ-ፍርዲ ናይታ ሃገር ሪጋ ይጽበዩ ኣለው። ካብዚ፡ እቶም 180,000 ዝዀኑ ድማ ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝጸንሑ ጕዳያት እዮም። እቲ መንእሰይ ኣብ ወግዓዊ መዛግብቲ፡ ካንሃያ ጂ ተባሂሉ ይጽዋዕ። እቶም ንኻልእ ሰብ ተመሲሉ፡ ብምትላልን ብወዲትን ገበነኛ ኢኻ ኢሎም ክእሰር ዝፈረድዎ ዳያኑ ከምዝብልዎ ግን፡ ስሙ ዳያናንድ ጎሴይን ይበሃል። 100 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ካብ እትርከብ ቁሸት ጃሙይ ዝመጽአ እዩ። ሲንግ ነቶም ጐረባብቱ፡ \"ኣዒንተይ ይደኽማ ኣለዋ፤ ብግቡእ ክርእዮ'ውን ኣይከኣልኩን። ወደይ እዩ እንተኢልኩምኒ ወደይ እዩ\" ከም ዝበሎም ካብ ፖሊስ ዝተረኽበ ጸብጻብ ይሕብር። ዳያናንድ ጎሴይን ናብ እንዳ ሲንግ ምስኣተወ ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ኣብ 1982 ካብ ዝተመርዓወሉ እዋን ዝተሳእለ ጸሊምን ጻዕዳን ስእሊ፡ ንሓደ ቀጢን ጭሕሚ ዘለዎ መንእሰይ የርኢ። ኣብቲ ስእሊ ድብዝዝ ዝበለ ስልማት ዘለዎ መጐልበቢ ተኸዲኑ ኣርሒቑ ይጥምት። ናብ ቤት ሲንግ ቅድሚ ምእታዉ ብዛዕባኡ ዝፍለጥ ነገር ንጹር ኣይኮነን። ወግዓዊ ሰነዳቱ እተፈላለየ ዕለት ልደት የመልክቱ፤ ኣብ መዛግብቲ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ፡ ጥሪ 1966 ከም ዝተወለደ ይገልጽ። ኣብ ሃገራዊ ወረቐት መንነቱ ለካቲት 1960 ይብል። ኣብ ካርድ ምርጫ ድማ 1965 እዩ ተጻሒፉ ዘሎ። ብ2009 መንግስቲ መቝነን መግቢ ንምርካብ ዘውጽኦ ካርድ፡ ወዲ 45 ዓመት ከምዝዀነ ይገልጽ። እዚ ኸኣ ብ1964 ከም ዝተወልደ ዝሕብር እዩ። ስድራቤቱ ድማ፡ \"ኣስታት 62 ዓመት ኣቢሉ\" ከም ዝተወለደ ይገልጹ፤ እዚ ምስቲ ኣብ ሃገራዊ መለለይ መንነቱ ዘሎ ዝመሳሰል እዩ። እቶም መርመርቲ፡ ጎሴይን ካብቶም ኣብ ጃሙይ ዝነበሩ ኣርባዕተ ደቂ ሓደ ሓረስታይ እቲ ዝነኣሰ ምዃኑ፡ ድራር እለቱ ክምእርር ከም ዝደርፍን ከምዝልምን ከምኡ'ውን፡ ኣብ 1981 ካብ ገዛኡ ወጺኡ ከም ዝኸደን ኣረጋጊጾም። ኣብ ጃሙይ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ፖሊስ ቺታራንጃን ኩማር፡ ጎሴይን ኣቐዲሙ ተመርዕዩ ከምዝነበረን ሰበይቱ ግን ከይጸንሐት ከምዝገደፈቶን ይገልጽ። ኣብ ከይዲ ጎሴይን ክልተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን ወሊዱ። ሲንግ፡ ህይወቱ ምስ ሓለፈ ኣስታት ፍርቂ ዘመን ዝጸንሐ ግርማ ዘለዎ ዓቢይ ገዛ ወሪሱ። (ፍርቂ እቲ ገዛ ብኻልእ ስድራ ሲንግ ዝውነን እዩ ነይሩ።) በዅሪ ወዲ ጎሴይን ዝኾነ ኩማር፡ ኣቦኡ 30 ሄክታር መሬት ከምዘመሓድርን ካብ ገዛኡ ብዙሕ ከምዘይወጽእን ይገልጽ። እቲ መሬት ከም ሩዝ፡ ስርናይን ካልኦትን ዘፍሪ ኰይኑ መብዛሕትኡ ግዜ ብሰራሕተኛታት ዝሕረስ እዩ። ኩማር ከም ዝብሎ ብዛዕባ “ካልእ ሰብ ምምሳል” ኣቦኡ ሕቶ ኣየልዕልን። \"ኣቦና እዩ። ኣቦሓጐይ ወደይ ኢሉ ተቐቢልዎ ከሎ፡ ንሕና መን ስለዝኾንና ኢና መን ኢኻ ኢልና ንሓቶ? ኣቦኻ ከመይ ዘይክትኣምኖ ትኽእል?\" ክብል ይሓትት። \"ድሕሪ እዚ ዅሉ ዓመታት መንነት ኣቦይ ስለዝተወገደ ህይወትናን መንነትናን ተንጠልጢሉ እዩ ዘሎ። ኣብ ብዙሕ ጭንቀት ኢና ንነብር ዘለና።\" ጎሴይን ነቶም ደያኑ ዝጠፍአ ወዲ እቲ ዋና እየ ከም ዘይበለ ነጊርዎም። ሲንግ \"ከም ወዱ ተቐቢሉ ናብ ገዛኡ ኣእትዩኒ\" ይብል። \"ብምምሳል ንዋላ ሓደ ሰብ ኣየታለልኩን። ኣነ ካንሃያ እየ፡\" ኢሉ። እቲ ዘስደምም ነገር ክጠፍእ ከሎ ወዲ 16 ዓመት መንእሰይ ዝነበረ ካንሃያ፡ ተረሲዑ ምትራፉ እዩ። ኣብ 1991 ዝሞተ ካመሽዋር ሲንግ፡ 60 ሄክታር መሬት ዝውንን ጽልዋ ዘሕድርን ሃብታም ሰብ እዩ ነይሩ። ካብ ክልተ ሓዳር ክልተ ኣዋልድን ሓደ ወዲን (ካንሃያ) ወሊዱ እዩ። ዝፈትዎ ውሉዱን ተፈጥሮኣዊ ወራሲኡን ከኣ ካንሃያ እዩ ነይሩ። እቲ ዝገርም ነገር፡ እቲ ዝሓምም ዝነበረ ሲንግ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ከይዱ ንጎሴይን ኣይተጣበቐሉን። \"ነቶም ተቐማጦ እታ ቝሸት እዚ ወዲ ወደይ እንተዘይኰይኑ ክንመልሶ ኢና ኢለዮም\" ክብል ሲንግ ንፖሊስ ተዛሪቡ። እቲ ኽሲ ንኣስታት 40 ዓመታትን ደርዘን ብዝዀኑ ዳያኑን ተራእዩ እዩ። እቲ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ድራማ፡ እቲ ተጣባቓይ፡ ዳያናንድ ጎሴይን ከምዝሞተ ዝእውጅ ወረቐት ምስክር ሞት ከቕርብ ከሎ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ በጺሑ። እንተዀነ፡ እቲ ወረቐት ምስክር ሞት ዕለቱ ግንቦት 2014 ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ጎሴይን  ኣብ 1982 ከምዝሞተ ዝገልጽ እዩ። እቲ ቤት ፍርዲ ሓደ ሰብ ምስሞተ ስለምንታይ ድሕሪ 32 ዓመት ምስክር ወረቐት ከምዝተሰርሓሉ ብምሕታት፡ እቲ ወረቐት ናይ ሓሶት እዩ ክብል ኣይተቐበሎን። \"ጎሴይን፡ ካንሃያ እየ ኢሉ ንምርግጋጽ ነብሱ ቐቲሉ፡\" ይብል ካብቶም ነቲ ጉዳይ ዝረኣዩ ዳያኑ ሓደ ዝኾነ ዳኛ ሚሽራ። ጎሴይን ካብ 2014 ጀሚሩ መርኣያ ዲኤንኤ ኣይህብን ምባሉ ግን ኣንጻሩ ዝነበረ ቀንዲ መርትዖ እዩ። \"መንነቱ ንምርግጋጽ፡ ጾር መርትዖ ኣብ ዝባን'ቲ ተኸሳሲ ዝወደቐ እዩ፡\" ይብል እቲ ዳኛ። እቲ ቤት ፍርዲ፡ \"ሕጂ ካልእ መርትዖ ኣየድልን እዩ፡\" ኢሉ። \"እቲ ተኸሳሲ፡ ምርመራ ዲኤንኤ ከምዘቃልዖ ይፈልጥ እዩ።\" ኣብ መወዳእታ እቲ መስርሕ ፍርዲ ከይተቛረጸ፡ ን44 መዓልቲ ምስተረኣየ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ገበነኛ ክብል ናይ ሸውዓተ ዓመት \"ከቢድ ማእሰርቲ\" ፈሪዱ። እቲ ቤት ፍርዲ፡ ንጎሴይን ከም ዝጠፍአ ወዱ ገይሮም ኣብ ስድራቤት ሲንግ \"ከእትዉ\" ብዝሓገዙ ሓያሎ ሰባት ዝተኣልመ ሰፊሕ ውዲት ከምዝኾነ’ውን ይኣምን። እቲ ዳኛ እዞም ሰባት እዚኣቶም ሲንግ ዝውንኖ መሬት ክዕድጉ ጸኒሖም ከኣ ጎሴይን ተፈጥሮኣዊ ወራሲኡ ምስኮነ ከምዝሸጠሎም ይጥርጥር። እዚ ግን፡ ቀጻሊ ምርመራ ዘድልዮ ጉዳይ እዩ። \"በዓለቤተይ ምሕማሙን ዓይኑ ምድካሙን ስዒቡ፡ መሬት ስድራና ንምውራስ ዝተገብረ ሓያሎ ውዲት ነይሩ፡\" ክትብል ኣብ 1995 ዝዓረፈት ራምሳኪ ዴቪ ንቤት ፍርዲ ተዛሪባ ነይራ። ኣብዚ ዛንታ ምትላልን ምምሳልን ገና መልሲ ዘይረኸቡ ሕቶታት ኣለዉ። ብናይ ሓሶት መለለይ መንነት ዝተሸጠ መሬት መወዳእታኡ እንታይ እዩ ክኸውን? እቲ ዝተመቓቐለ መሬት ተመሊሱ፡ ደቂ ሲንግ ይማቐልዎ’ዶ ይዀኑ? ናይ ጎሴይን ናይ ሓሶት መንነታት እንታይ እዮም ክግበሩ? እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ሕቶ ድማ ካንሃያ ኣበይ እዩ ዘሎ? ብመሰረት ሕጊ ህንዲ፡ ንልዕሊ ሸውዓተ ዓመት ዝጠፍአ ሰብ ከም ዝሞተ ተገይሩ እዩ ዝውሰድ። እንተዀነ ፖሊስ ህንዲ ነቲ ጕዳይ ዘይዓጸውዎ ስለምንታይ እዩ? ካንሃያ ብህይወት ይህሉ’ዶ ይኸውን?","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c25wz2vrd58o"} {"headline":"ህንዳዊት ግዝኣት ማድህያ ፕራደሽ ንምንታይ’ያ ናይ ኣስላም ኣባይቲ እተፍርስ ዘላ?","content":"ወዲ 72 ዓመት ሼኽ መሓመድ ራፊቕ ገለ ሰባት ንገዝኡ ከፍርሱ ዝመጹሉ መዓልቲ ይዝክሮ እዩ። ኣብ ህንዳዊት ግዝኣት ማድህያ ፕራደሽ ልስሉስ መስተ ብምሻጥ ዝናበር ሼኸ መሓመድን ወዱን ኣብ ስራሕ እዮም ኣምስዮም። “እዋን ረመዳን ስለነዝበረ ቀንዲ ምስ መሰየ’ዮም ዓማዊል ዝመጹኻ” ይብል። ሰኑይ ንጉሆ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ምስ መጽኡ፡ ንሱን ስድርኡን ኩላቶም ደቂሶም እዮም ነይሮም። “ብርቱዕ ድምጺ ምስ ሰማዕና ግና፡ ናይቲ ቀጽሪ ማዕጾ ይፈርስ ከምዘሎ ፈሊጥና። ዓበይቲ ማሽነሪ ዝሓዙ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣባላት ፖሊስ ነታ ኣብ ብብዝሒ ተኸተልቲ እስልምና ዝነብሩላ ንእሽቶ ቁሸት ከተማ ኻርጎን እትርከብ ገዝኡ ከቢቦምዋ ነይሮም። ደው ከብሎም ንዝፍትን ዘበለ ኩሉ እናተኸላኸሉ ነቲ ገዛ ናብ ሓመድ ቀዪሮምዎ ይብል ሼኽ መሓመድ። “ኣዚና ፈሪሕና ገለ’ውን ክንብል ኣይከኣልናን- ሱቕ ኢልና ርእይናዮም።” ኣብ ማድህያ ፕራድሽ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ሚያዝያ 10 (ፌስቲቫል ሂንዱ ራም ናቫሚ ዝኽበረሉ ዕለት) ዝተኸሰተ ኮማዊ ግጭት ብዙሕ ኣባይቲ እዩ ዝዓንው ዘሎ። ዓበይቲ ማሽነሪታት ኣባይቲ እናፍረሱ ዘርእይ ዘሕዝን ስእልታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብብዝሒ ተዘርጊሑ ይርከብ። እዚ ቁጥዐ ከለዓዕል እንከሎ፡ ነቶም 200 ሚልዮን ዝበጽሑ ኣስላም ህንዲ ንምግላል ብውድብ ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናረንዳ ሞዲ ዝኾነ ሰልፊ ቢጄፒ ዝግበር ፈተነ ምዃኑ ነቐፍቲ ይዛረቡ። ምምሕዳር እታ ግዝኣት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኣስላም ከምዚ ዝኣመሰለ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ እንተኾይኖም፡ ፍትሒ ክጽበዩ ኣይግባእን” ብምባል ነቲ ተሓታትነት ናብኦም ከም ዝመለሶ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ናሮታም ሚሽራ ንማእከን ዜና ኤንዲቲቪ ተዛሪቡ። ክኢላታት፡ እቲ ምፍራስ ኣባይቲ ሕጋዊ መስርሕ ዝተኸተለ ከምዘይኮነ ምግላጾም ስዒቡ ሻቕሎት ኣልዒሉ ኣሎ። ኣብታ ግዝኣት ኣብ ከተማ ኢንዶር ዝቕመጥ ናይ ሕጊ በዓልሞያ ኣሽሃር ዋርሲ ነዚ ከረድእ ከሎ፡ “ሕጋዊ መስርሕ ከይተኸተልኩም፡ ብዘይመጣጠን መቕጻዕቲ ንህዝቢ እቲ ከባቢ ትቐጽዑ ኣለኹም። እዚ ዘይሕጋዊ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሓደገኛ ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ” ኢሉ። እቲ ግጭት ፈለማ፡ ብርክት ዝበሉ ተኸተልቲ ሂንዱ ብብዝሒ ኣስላም ኣብ ዝነብሩሉን መሳጊድ ኣብ ዝርከበሉን ካባቢታት ኣብ ልዕሊ እቶም ውሑዳን ጎንጺ ዘለዓዕል ሙዚቃ ወሊዖም ኣብ ዝምርሽሉ ዝነበሩ እዋን እዩ ኣጋጢሙ። ኣብ ገለ ከባቢታት እቶም ሂንዱን ኣስላምን ኣእማን ከምዝተደራበዩ ጸብጻባት ሓቢሮም። እቶም ሂንዱ ኣብ ልዕሊኦም መጥቃዕቲ ንኽፍጽሙ ፖሊስ ከም ዝተሓባበሮም ብዙሓት ኣስላም ይኸስሱ። እቲ ዝኸፍአ ግና ኣብ ዝቐጸለ መዓልቲ ዘጋጠመ እዩ ብምባል፡ ሰብ መዚ ብማሽነሪ ገዝኡ ከምዘፍረሱ ወዲ 28 ዓመት ሻህባዝ ክሃን ይገልጽ። ኣብዚ እዋን ኣብ መስጊድ ኣጽሊሉ ዘሎ ሻህባዝ “ሰበይተይን ሓፍታን ነቶም ፖሊስ እናነብዓ፡ ንብረትና ክነውጽእ ለሚነናኦም - ካልእ እንተተረፈ ነቲ ቁርዓን - ግና ኣይሰምዑናን” ይብል። “ሕጂ ዝተረፈና የሎን፤ ዝግደሰልና’ውን የሎን። ናብቲ መደበር ፖሊስ ኣብ ዝኸድናሉ ይሰጉና።” መንግስቲ እታ ግዝኣት፡ እቲ ምፍራስ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምድርባይ ኣእማንን ሓዊ ምቅጻልን ዝተሳተፉ ሰባት ዝተወስደ ሓደ ኣገባብ መቕጻዕቲ እዩ ይብል። “እቶም ኣእማን ዝድርበየሎም ዝነበረ ኣባይቲ ንባዕሎም ናብ ኣእማን ክቕየሩ እዮም” ኢሉ ሚስተር ሚሽራ። እንተኾነ ግና እቲ ስጉምቲ ብዘይሕጋዊ መገዲ ንዝተሃነጹ ኣባይቲ ዕላማ ዝገበረ ከምዝኾነ ፖሊስ ይገልጽ። ኣካያዲት ወረዳ ኻርጎን፡ ኣኑግራሃ ፒ “ክልቲኡ ምኽንያት” ከምዝኾነ ትገልጽ። “ነቶም ገበነኛታት ሓደ ብሓደ ምርካብ ግዜ ዝወስድ መስርሕ እዩ፤ ስለዚ ነቶም ናዕቢ ዝተፈጸመሎም ቦታታት ብምርኣይ፡ ንኩሎም ዘይሕጋውያን ህንጻታት ኣፍሪስናዮም። እዚ ንኻልኦት ናዕበኛታት መምሃሪ ክኸውን እዩ” ኢላ። ሸኽ መሓመድ ራፊቕ ግና ኣብ ከባቢኦም ናዕቢ ከምዘይነበረ እዩ ዝዛረብ። “ሕጋዊ ከምዝኾነ መረጋገጺ ኩሉ ሰነዳት’ውን ኣሎኒ” ድሕሪ ምባል “እቶም ፖሊስ ግና ክሰምዑኒ ኣይደለዩን ቤተይ ኣሕዲጎምኒ” ኢሉ። ክኢላታት ሕጊ ብወገኖም፡ ንኻልእ ገበን ተባሂሉ ዝወጸ ሕጊ ንኻልእ ክትቀጽዓሉ ግቡእ ኣይኮነን ዝብል ሕቶ የልዕሉ። “ሕጊ ከም መሸፈኒ እዮም ዝጥቀሙሉ ዘለው - እዞም ኣባይቲ ቅድሚ እቲ ሃይማኖታዊ በዓል’ውን ሕጋዊ ኣይነበሩን” ይብል ፖለቲካዊ ተመራማሪ ራሁል ቬርማ። ንሱ ወሲኹ፡ “እታ ግዝኣት ኣብ ሕነምፍዳይ” ከምዘላ ይዛረብ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61134322"} {"headline":"ኣብ ቤተ-መቅደስ ህንዲ ብዝተፈጠረ ምጽቕቓጥ 12 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ህንዲ ሽሪ ማታ ቫይሽኖ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ናይ ሂንዱ ቅዱስ ቦታ ኣብ ሓድሽ ዓመት ብዝተፈጥረ ምጽቕቓጥ (ህዱድታ) ብውሕዱ 12 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ። ኣብቲ ክስተት፡ ኣስታት 12 ከሰባት ከምዝሞቱን ብዙሓት ጉድኣት ከምዝበጽሖምን ፖሊስ ኣፍሊጡ። ፖሊስ ከምዝበሎ፡ ኣብ ቤተ መቅደስ ቫይሽኖ ዝተለዓለ ዕግርግር ብሰንኪ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ዘይምርድዳእ እዩ ። ቀዳማይ ሚኒስትር ናሬንድራ ሞዲ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዝበጽሐ ሓደጋ ከምዝሓዘነ ተዛሪቡ። በቲ ሓደጋ ጉድኣት ዝበጽሖም ሰባት ድማ ቀልጢፎም ክሓውዩ ተመኒዩ። በብዓመቱ ኣብ ሓድሽ ዓመት ብዓሰርተ ሽሓት ዝቑጸሩ ህንዳውያን ነዚ ቤተ መቅደስ ይርእዩ። እቲ ቤተ መቅደስ ኣብ ህንዲ ካብ ዝርከቡ ቅዱስ ስፍራታት ሓደ ከምዝኾነ ኣብ ከተማ ደልሂ ዝርከብ ወኪል ቢቢሲ ሓቢሩ። ሰብ ስልጣን እቲ ከባቢ፡ ናብቲ ከባቢ ዝመጽኡ ብዝሒ ኣጋይሽ መዓልታዊ ልዕሊ 25 ሽሕ ከይኸውን ኣዚዞም ነይሮም። እንተኾነ፡ ካትራ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ቤተ መቅደስ፡ ካብቲ ዝተፈቕደ ልዕሊ ፍርቂ ተረኺቡ ነይሩ። ኣብቲ ብቀዳም ዝበጽሓ ሓደጋ፡ ብውሕዱ 16 ሰባት ጉድኣት ከምዝበጽሖም መራኸብቲ ብዙሃን ይገልጹ። ዛጊድ ነቲ ዝበጽሓ ሓደጋ ዝምርምር ጉጅለ ኣይተጣየሰን። ኣብ ህንዲ ኣብ ሃይማኖታዊ በዓላት ምጽቕቓጥ (ህዱድታ) ክረኣይ ዝተለምደ እዩ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59851741"} {"headline":"ስሪካንት ቦላ፡ 48 ሚልዮን ፓውንድ ዝግመት ትካል ዝሃነጸ ዓይነ ስዉር መንእሰይ","content":"ስሪካንት ቦላ፡ ንጉዕዞ ህይወቱ ዝድህስስ ፊልም ብቦሊውድ (ዓቢይ ትካል ፊልም ህንዲ) ክስርሓሉ እዩ። እዚ መንእሰይ ዋና ኣካያዲ ስራሕ፡ 48 ሚልዮን ፓውንድ ዝግመት ትካል ሃኒጹ እዩ፡፡ እንተኾነ እዚ ዓወቱ ክውን ካብ ምዃን ክተርፍ ዝኽእለሉ ኣጋጣሚ ነይሩ እዩ፡፡ ዕሽል መንእሰይ እንከሎ ዓይነ ስዉር ብምዃኑ ኣብ ላዕለዋይ ብርኪ ትምህርቲታት ሒሳብን ሳይንስን ክመሃር ከምዘይፍቀደሉ ተነገሮ፤ ንሱ ግን ነቲ ዝደልዮ ክመሃር ኣብ ልዕሊ እታ ግዝኣት ክሲ መስሪቱ፡፡ ስሪካንት ካብ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ጀሚሩ፡ ሓዉ እናመረሖን ርጋጽ መማህርቱ እናተኸተለን ኣብ ገጠር ህንዲ ናብ እትርከብ ቤት ትምህርተ ብቢመዓልቱ ነዊሕ ኪሎ ሜትር ብእግሩ እናተጉዓዘ ንኽልተ ዓመታት ተማሂሩ። እቲ መገዲ ጭቃን ቆጥቋጦን ዝበዘሖ ብምንባሩ፡ ንዕኡ ጽቡቕ እዋን ኣይነበረን፡፡ \"ዓይነ ስዉር ስለዝኾንኩ ዘዛርበኒ ሰብ ኣይነበረን\" ይብል፡፡ ካብ ድኻታትን ዘይተምሃሩን ስድራ ስለዝተወለደ ድማ እቲ ማሕበረሰብ ነጸጎ፡፡ ‘‘ንስድራይ ገዛይ እኳ ክሕሉ ከምዘይክእል ይነግሩዎም ነይሮም፤ ብዙሓት ሰባት ናብ ገዛና እናመጹ ስድራይ ብመተርኣስ ጸቒጦም ክቐትሉኒ ይመኽሩዎም ነይሮም’’ እቲ ወዲ 31 ዓመት ፈጻሚ ስራሕ (ሲኢኦ) ይዝክር፡፡ ስድራ ቤቱ ግና ሓገዝቱ እምበር ከምቲ ዝምከርዎ ክፉኣት ኣይነበሩን፡፡ ስሪካንት ወዲ ሸሞንተ ዓመት ምስ ኮነ፡ ኣቡኡ ኣብ ሓደ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ቦታ ከምዝረኸበሉን ናብኡ ከምዝኸይድን ዝገልጽ ብስራት ሒዝሉ መጸ፡፡ ንሱ ዋለኳ ካብ ስድርኡ እንተረሓቐ፡ በቲ ዝረኸቦ ዕድል ግን ሕጉስ ነበረ፡፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ከም ቼዝ፣ ምሕምባስን ክሪኬትስን ዝበሉ መዘናግዒታት ስለዝለመደ ድማ ጻንሒቱ ኣዝዩ ፈተዎ፡፡ ኩሉሻብ ኢንጂንየር ናይ ምዃን ሕልሚ ስለዝነበሮ፡ ሒሳብን (ቁጽሪ) ሳይንስን ክመሃር ከምዘለዎ እውን ኣይሰሓተን፡፡ እዋኑ ምስኣኸለ ድማ እቶም ዝደልዮም ዓይነታት ትምህርቲ መሪጹ፤ እንተኾነ እቲ ቤት ትምህርቱ ምርጫኻ ሕጋዊ ኣይኮነን ብምባል ከልኪልዎ፡፡ ኣብያተ ትምህርቲ ህንዲ ዝተፈላለየ መምርሒታት ብዘለዎም ኣካላት እየን ዝመሓደራ፡፡ ናይ ስሪንካንት ቤት ትምህርቲ ድማ ብቢሮ ትምህርቲ ግዝኣት ኣንድራ ፕራደሽ እያ እትመሓደር ነይራ፤ ንሳ ትምህርቲታት ሕሳብን ሳይንስን ንዓይነ ስውራት ክኸብዶም ይኽእል እዩ ብዝብል ኣይትፈቅድን ነይራ፡፡ ኣርት፤ ቋንቋ፣ ስነጽሑፍን ሕብረተሰብ ሳይንስን እዮም ክመሃሩ ዝኽእሉ ነይሮም፡፡ እዋኑ 2007 እዩ፤ በቲ ክልከላ ኣዝዩ ሓሪቑ ነይሩ፡፡ በቲ ኣብ ኩሉ ማዕረ ዘይኮነ ሕጊ ዝጎሃየት መምህሩ እውን ገለ ስጉምቲ ክወስድ መኺራቶ፡፡ ናብ ምምሕዳር ላዕለዋይ ብርኪ እታ ግዝኣት ብምኻድ፡ ከእምንዎም እኳ እንተፈኑ ምንም ክገብሩ ከምዘይክእሉ ነጊሮምዎም፡፡ ካብ ሕልሙ ክሰናኸል ዘይፈቐደ እቲ ዓይነስውር ተምሃራይ ግና ንውሳነኦም ሰሚዑ ናብ ዘይደለዮ ኣይኣተወን፡፡ ብጉጅለ ምምሕዳር እታ ዝመሃረላ ቤት ትምህርትን ጠበቓን ተሓጊዙ ዓይነ ስውራን ተምሃሮ ሒሳብን ሳይንስን ክመሃሩ ክፍቀደሎም ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ግዝኣት ከሲሱ፡፡ ‘‘እቲ ጠበቓ ከክንዳና ተቓሊሱልና’’ ይብል ባዕሉ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ኣድላዪ ከምዘይነበረ ዝዝክር ስሪካንት፡፡ እቲ መስርሕ ፍርዲ ቅድሚ ምውድኡ፡ ሓንቲ ዓይነ ስዉራን ተምሃሮ ሒሳብን ሳይንስን ክመሃሩ እተፍቅድ ቤት ትምህርቲ፡ ድልየት እንተዳኣ ሃልይዎ ክትቅበሎ ፍቓደኛ ከምዝኾነት ሰሚዑ፡፡ ብታሕጓስ ድማ ተቐበሎ፡፡ ኣብቲ ዝመሃረሉ ክፍሊ ብሕታዊ ዓይነ ስዉር እዩ ነይሩ፡፡ ኮይኑ ግና ብጽቡቕ ከምዝተቐበሉዎ ይዝክር፡፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ካልእ ደስ ዘብል ዜና ሰሚዑ፡፡ ኣብቲ ናይ ቤት ፍርዲ ክሲ ተዓዊቱ፡፡ ኣብ ኩለን ላዕለዎት ኣብያተ ትምህርቲ ግዝኣት ኣንድራ ፕራደሽ፡ ዓይነ ስዉራን ተምሃሮ ሒሳብን ሳይንስን ክመሃሩ ከምዝኽእሉ ፈሪዱ፡፡ ‘‘ኣዝየ ተሓጒሰ፤ ክሰርሕ ከምዝኽእል ንዓለም ዘርእየሉ ፈላማይ ዕድል ኮይኑለይ’’ ይብል፡፡ \"ናብ ንእሽቶ ተኽሊ ከቢድ ዝናብ ምፍሳስ\" ድሕሪ እቲ ውሳነ ስሪካንት ናብ ቤት ትምህርቱ ተመሊሱ፡ ዝፈትዎ ትምህርቲታት ሳይንስን ሒሳብን ተማሂሩ ኣብ ፈተና 98 ምኢታዊት ማእከላይ ወጽኢት ረኺቡ፡፡ ናብቲ ኣዝዩ ዝተኸበረ ዩኒቨርሲቲ ህንዲ ‘ኢንድያን ኢንስቲትዩት ኦፍ ቴክኖሎጂ’ ናይ ምእታው ትልሚ ነይሩዎ፤ እንተኾነ ኣዝዩ ከቢድ ውድድር ዘለዎን ናይ ቅድመ ምድላው ስልጠና ዘድልዮ ስለዝነበረን፡ ስሪካንት እተሰልጥኖ ቤት ትምህርቲ ኣይረኸበን፡፡ 'እቶም ስልጠና ዝህቡ ላዕለዎት ትካላት፡ እቲ ዘሎ ጸቕጢ ትምህርቲ ናብ ፈልሲ ከቢድ ዝናብ ከምምፍሳስ እዩ ኢሎምኒ\" ይብል፡፡ ኣብ ኣመሪካ ናብ ዝርከቡ ዩኒቨርሲቲታት ምስ ኣመልከተ ድማ ሓሙሽተ ዩኒቨርሲቲታት ከምዝቕበለኦ ገሊጸናሉ፡፡ ነቲ ካብ ኤምአይቲ ዝቐረበሉ ቦታ ተቐቢሉ ድማ ኣብ 2009 ፈላማይ ካብ ወጻኢ ሃገር ዝመጸ ዓይነ ስዉር ተምሃራይ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኮይኑ፡፡ ኣብ ፈለማ ከቢድ ቁርን ሓድሽ ኣመጋግባን ከቢድዎ እኳ እንተነበረ፡ ቀልጢፉ ከምዝተላመዶን ኣዝዩ ዝፈትዎ ግዘ ከምዘሕለፈን ይዝክር፡፡ ጎናጎኒ ትምህርቲ ኣብ ህንዲ ሃይድራባድ፡ ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎም ቆልዑ ዝመሃሩሉን ዝስልጥኑሉን ገባሪ ሰናይ ትካል ኣጣይሹ፡፡ ህይወቱ ምቹው እዩ ዝነበረ፡፡ ብማኔጅመንት ሳይንስ ምስተመረቐ ብዙሑ ናይ ክንቆጽረካ ሕቶታት ቀሪቡሉ ነይሩ፡፡ ንሱ ግን ናብ ዓዱ ክምለስ መሪጹ፡፡ ኣብ ዓዱ ዘየለኣሞ ዕዮ ከምዘለዎ ይስመዖ ነበረ፡፡ ‘‘ንምንታይ ናይ ባዕለይ ትካል ኣጣይሸ ኣካላዊ መጉዳእቲ ዘለዎም ቆጺረ ዘየስርሕ?’’ ኢሉ ሓሲቡ፡፡ ስሪካንት ኣብ 2012 ናብ ሃይድራባድ ተመሊሱ፡ ምስ ከባቢ ዘይጻባእ ካብ ኣቑጽልቲ ዝስርሑ መዐሸጊታት ዘፍርይ ቦላንት ኢንዳስትሪስ መስሪቱ፡፡ አቲ ትካል 48 ሚልዮን ፓውንድ ይግመት፡፡ ኣካላዊ መጉዳእቲ ዘለዎምን ከም ኩነታቱ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎምን ሰባት ቆጺሩ የስርሕ፡፡ ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብቶም 500 ሰራሕተኛታቱ እቶም 36 ምኢታዊት ስንክልና ዘለዎም ነይሮም፡፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ 30 ዓመቱ፡ ካብቶም ያንግ ግሎባል ሊደርስ 2021 ተባሂሎም ዝተመረጹ ትስፉዋት መንእሰያት መራሕቲ ሓደ ኮይኑ ኣብ ግሎባል ኢኮኖሚክ ፎረም ተሳቲፉ፡፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሰለስተ ዓመታት ትካሉ ኣብ ናይ ማል ዕዳጋ ዓለም (ስቶክ ማርኬት) ከምዝኣቱ ተስፋ ይገብር፡፡ ቦሊውድ ድማ ታሪኽ ህይወቱ ዘዘንቱ ፊልም ክሰርሓሉ ይሸባሸብ ኣሎ፡፡ ፍሉጥ ተዋሳኣይ ራጅኩማር ራኦ፡ ንስሪካንት ወኪሉ ዝዋሰአሉ ፊልም ኣብ ወርሒ ነሓሰ ቀረጻ ክጅምር እዩ፡፡ ‘‘መጀመርታ ሰባት ክርእዩኒ ከለዉ፡ ‘ ዓይነ ስዉር እዩ፤ ከሕዝን’ ይብሉ፡፡ መን ከምዝኾንኩን እንታይ ከምዝሰርሕን ክገልጸሎም እንትጅምር ግና ኩሉ ነገር ይልወጥ፡፡’’","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60132840"} {"headline":"ብከላ ኣየር፡ ብትኪ ዝተሸፈነት ከተማ ደልሂ ኣብያተ ትምህርቲ ዓጽያ","content":"ሰብመዚ ርእሰ ከተማ ህንዲ ዝኾነት ደልሂ፡ ብሰንኪ ኣብታ ከተማ እናተጋደደ ዝኸደ ብኽለት ኣየር፡ ኣብያተ ትምህርትን ኮሌጃትን ንዘይተወሰነ እዋን ተዓጽዮም፡፡ ካብ ናይ ምስ መጓዓዝያን ምክልኻልን ዝተሓሓዙ ስራሕቲ ወጻኢ፡ ኩሎም ናይ ኮንስትራክሽን ስራሕቲ ክሳብ 21 ሕዳር ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ከይሰርሑ ተኸልኪሎም ኣለዉ፡፡ ብተወሳኺ ካብቶም ኣብታ ከተማ ብሕመት (ከሰል) ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዘመንጭዉ 11 ማእከላት እቶም ሓሙሽተ ጥራሕ እዮም ኣገልግሎት ክህቡ ተፈቒዱሎም ዘሎ፡፡ እታ ከተማ ካብቲ ጽምብል ዲዋሊ ዝተኸበረሉ እዋን ጀሚራ ብመርዛም ግመ ተሸፊና እያ ዘላ፡፡ መጠን ናይታ ከተማ ምስ ኣየር ንውሽጢ ዝተንፈሱ አካላት (ፒኤም) 2.5 እዩ፤ እዚ ድማ ንሳንቡእ ደቂ ሰባት ዝዓጹ ኮይኑ ካብቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ዘፍቅዶ መጠን ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ፡፡ ብሰኑይ ብዙሓት ከባቢታት እታ ከተማ ልዕሊ 400 ዘመዝገቡ ኮይኖም፡ እቲ ቑጽሪ ዝኸፈአ ዝበሃል ደረጃ ዘመልክት እዩ፡፡ ጽርየት ኣየር ዝገልጽ ሓባሪ ከምዘመልክቶ ካብ ዜሮ ክሳብ 50 ጽቡቕ፣ ካብ 51 ክሳብ 100 ድማ ደሓን ዝበሃል እዩ፡፡ ካብ መጓዓዝያን ፋብሪካታትን ዝወጽእ ትኪ፣ ዶሮናን ኩነታት ኣየርን ዝበሉ ባእታታት፡ ከተማ ደልሂ እታ ኣብ ዓለም ኣዝያ ዝተበከለት ከተማ ክተከውን ገይሮምዋ እዮም፡፡ ብፍላይ ኣብ እዋን ሓጋይ ኣብ ጎረባብቲ ግዝኣታት ዝነብሩ ሓረስቶት ተረፍ ምህርቲ ስለዘቃጽሉ እቲ ኣየር መርዛም እዩ ዝኸውን፡፡ ብዙሕ ርችታት ዝትኮሰሉ ኣብቲ ወቕቲ ዝኽበር ጽምብል ዲዋሊ እውን ነቲ ብኽለት የጋድዶ፡፡ ቅልጡፍ ዘይኮነ ንፋስ እታ ከተማ ብወገኑ እቶም በከልቲ ኣካላት ኣብ ታሕተዋይ ቀጸላ ከባቢ ኣየር ክጸንሑ ይሕግዝ፡፡ እቲ ኣብዚ ዓመት ዝተጋደደ ብኽለት ኣየር፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ህንዲ፡ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ መንግስታት ክልልን ፌደራልን ህጹጽ ስጉምቲ ክወስዱ ክእዘዝ ኣገዲድዎ እዩ፡፡ ክሳብ 21 ሕዳር ናብ ደልሂን ጎረባብቲ ግዝኣታትን መሰረታዊ ቀረባት ካብ ዝጽዕና ከበድቲ መካይን ወጻኢ ካልኦት ከይኣትዋ ዝተኸልከላ እንትኾን፡ 50 ምኢታዊት ሰራሕተኛታት ውልቀ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክዓዩ ተኣዚዞም ኣለዉ፡፡","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59316281"} {"headline":"ኣብ ህንዲ፡ ካብ ኣብ ግዳም ኣብ ውሽጢ ገዛ ዘሎ ብከላ ኣየር ከምዝገድድ ተሓቢሩ","content":"ዋና ከተማ ህንዲ ኣብ ዝኾነት ደልሂ መጠን ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝፍጠር ብኽለት ኣየር ናብ ኣዝዩ ዘሻቕል ደረጃ ከምዝበጽሐ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ። መጠን እቲ ንሳምባ ብዝለዓለ ደረጃ ክጎድእ ዝኽእል ብናን ወይ ኣብ ኣየር ዝሳንሰፈፍ ኣዝዩ ደቀቕቲ ነገራት ኣብ ውሽጢ ገዛ “ኣዝዩ ዝለዓለ” ኮይኑ ከምዝተረኸበ እቲ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ደገ ክርከብ ዝኽእል ዝዛየደ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ። እዚ ሓደጋ ብዝለዓለ ደረጃ ከምዘንጸላለወ እንተተሓበረ’ውን ግን ዝበዝሑ ስድራቤታት ናይ ምክልኻል ስጉምቲታት ንምውሳድ ድልዋት ኣይኮኑን። ከተማ ደልሂ ብቐጻሊ ሓንቲ ካብ ሞንጎ “ኣብ ዓለም ዝለዓለ ብኽለት ዝረኣየለን ርእሰ ከተማታት” ኮይና ኣብ ቅድሚት ትስራዕ። ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ካብ ኢንዳስትሪታት ዝወጽእ ትኪ፣ ኣቦራ፣ ናይተን ብሚልዮናት ዝቑጸራ መኻይን፣ ሓረስቶት ዘንድድዎም ተረፈ ምህርቲ፣ ‘ደዋሊ’ ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ በዓል ህንዳውያን ዝትኮስ ርሺ (ርችት) ከምዝኾኑ ይጥቀስ። ካብዚ ብዝነቅል ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ድኻ ዜጋታት ካብቶም ሃብታማት ብዝዛየደ ንብኽልት ኣየር ዝተቓልዑ ከምዝኾኑ ይግመት ነይሩ። ከምኡ ከምዘይኮነ ግን ብመጽናዕቲ ተረጋጊጹ’ሎ። ኢንስቲትዩት ፖሊሲ ጸዓት (ኢነርጂ) ቺካጎ ካብ 2018 ክሳብ 2020 ኣብ ዘካየዶ ሓደ መጽናዕቲ ኣብ ህንዲ ዝርከቡ ድኻታትን ሃብታማትን ክፋላት ሕብረተሰብ ብማዕረ ግዳያት ብኽለት ኣየር ከምዝኾኑ ይሕብር። ዋላ’ውን እቶም ሃብታማት መከላኸሊ ብኽለት ዝኸውን መሳርሒ ኣብ ገዝኦም እንተገጠሙ ማዕረ ምስቶም ድኻታት ንብኽለት ከምዝሳጥሑ የመልክት። ነቲ መጽናዕቲ ዝመርሐ ዶክተር ኬኔት “ኣብ ህንዲ ሃብታም ወይ ድኻ ምዃን [ብመንጽር ብኽለት ኣየር] ብዘሕ ለውጢ የብሉን” ይብል። መረዳእታ ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ዓለም ምስ ብኽለት ኣየር ብዝተሓሓዝ ጸገማት ጥዕና ምኽንያት ዓመታዊ 7 ሚልዮን ሰባት ህይወቶም ይስእኑ። ኣብ ቀረባ እዋናት ዝዝርግሑ ዘለዉ መጽናዕትታት ከምዝሕብርዎ ድማ እቲ ኣብ ውሽጢ ገዛ ዘሎ ብኽለት ካብቲ ኣብ ደገ ዘሎ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ሓደግኡ ዝዓዘዘ’ዩ። ኣብ ዓለም ዝለዓለ ብኽለት ኣየር ካብ ዝረኣየለን 30 ከተማታት እተን 20 ኣብ ህንዲ ይርከባ። ኣብታ ሃገር ዓመታዊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ምስ ብኽለት ኣየር ብዝተሓሓዝ ጠንቂ ጥዕና ንሞት ይቃልዑ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59590686"} {"headline":"ኲናት ዩክሬን፡ ህንዲ ምስ ሩስያ ካብ ምውጋን ክትቁጠብ ኣሜሪካ ኣጠንቂቓ","content":"ሓይልታት ሩስያ ካብ ከባቢታት ርእሰ ከተማ ዩክሬን ኪቭን ቸርኒሂቭን ምሉእ ብምሉእ ከም ዘንስሓቡ ኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣሜሪካ [ፔንታጎን] ሓቢሩ። ጆን ኪርቢ ብረቡዕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ እቶም ሓይልታት \"ዳግመ ውደባ ንምግባር ናብ ቤላሩስን ሩስያን ከም ዘቕንዑ\" ኣረዲኡ። \"ሓይልታት ሩስያ ኣብ ከባቢ ኪቭ ኮነ ኣብ ቸርንሂቭ ይረኣዩ የለውን\" ዝበለ እቲ ኣፈኛ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን \"ካብ ስትራተጂካዊ ሸቶታቱ ሓንቲ'ውን ኣይወቕዐን\" ኢሉ። ወሲኹ'ውን \"ንኣሸቱ ከተማታት እዩ ተቖጻጺሩ . . . ንካርኪቭ'ውን ክሕዝዋ ኣይከኣሉን\" ኢሉ። እዚ ምዕባለታት ዝተርኣየ፡ ሩስያ፡ ኣተኩሮኣ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ንዝርከብ ዞባ ዶንባስ ክትገብር ምዃና ድሕሪ ምግላጻ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት እዩ። ሓደ መንነቱ ክግለጽ ዘይደለየ ላዕለዋይ በዓልስልጣን ፔንታጎን ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ወተሃደራት ሩስያ ደጊሞም ናብ ኪቭ ክመጽኡ ከም ዝኽእሉ ሓቢሩ። ብመሰረት ሓበሬታ ተንተንቲ ኲናት 'ኢንስቲትዩት ፎር ዘ ስታዲ ኦፍ ዎር'፡ እቶም ካብ ኪቭ ዘንስሓቡ ሓይልታት ሩስያ \"ንዝተወሰነ እዋን ዳግም ኣብ ውግእ ውጽኢታዊ ናይ ምዃን ዓቕሚ ንምምዕባል\" ዘለዎም ተኽእሎ ትሑት እዩ። ካብቶም ናብ ዩክረይን ዝተልኣኹ 130 ቦጦሎኒታት ሩስያ እቶም ልለሊ 80 ዝኾኑ ጌና ኣብታ ሃገር ከም ዘለው እቲ በዓል ስልጣን ገሊጹ። ብዝሒ ናይቶም ዘንሳሕቡ ዘለው ወተሃደራት ሩስያ ክሳዕ 24,000 ክበጽሕ ከም ዝኽእል ኣሶሽየትድ ፕረስ ንምንጭታት ምክልኻል ኣሜሪካ ብምጥቃስ ጸብጺቡ። ብኻልእ ወገን ህንዲ ኣብ ጎኒ ሩስያ ደው ካብ ምባል ክትቁጠብ ኣሜሪካ ኣጠንቂቓ። ብመሰረት ሓበሬታ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ቁጠባ ፕረዚደንት ጆ ቫይደን፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ወራር ድሕሪ ምፍጻማ፡ ህንዲ ምስ ሩስያ ካብ ምሽራኽ ክትቁጠበ ኣሜሪካ ኣጠንቂቓ ኣላ። ዳይሬክተር ቁጠባዊ ካውንስል ዋይት ሃውስ ብርያን ዲሰ ብረቡዕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ \"ንመንግስቲ ህንዲ ክነመሓላልፈሉ እንደልይ መልእኽቲ፡ ምስ ሩስያ ስትራተጂካዊ ዝምድና ንምፍጣር ዝገብርዎ ዘለው ምንቅስቓሳት ሳዕቤናቱን ዋግኡን ከቢድን ንነዊሕ ዝዘልቕን ክኸውን ምዃኑ እዩ\" ኢሉ። ንሱ ወሲኹ \"ኣብ ጉዳይ እቲ ወራር ብውሳነታት ቻይናን ህንድን ዘይተሓጎስናሉ ጉዳያት ኣሎ\" ኢሉ። ህንዲ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ንዝግበር እገዳ ድጋፍ ኣይሃበትን። እታ ብኣሜሪካ ኣብ እስያ ከም መዳርግቲ ቻይና እትርአ ህንዲ ካብ ሩስያ ብብዝሒ ኣጽዋር ብምዕዳግ ኣብ ቅድሚት እትጥቀስ ሃገር ምዃና ብሉምበርግ ይጠቅስ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/61020395"} {"headline":"ኣብ እዋን ፈተና ንምቕዳሕ ዝተዳለወ ብሉቱዝ ዝተገጠመሉ ሸበጥ","content":"ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ራጃስታን ህንዲ፡ ፖሊስ ኣብ እዋን ፈተና ንምቕዳሕ ብሉቱዝ ዝተገጠመሉ ሸበጥ ኣብ ምሻጥ ንዝተዋፈረ ጉጅለ ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወ ሓቢሩ። ሲምካርድ፡ ካልእ ኣብ እዝኒ ዝግበር ናይ መስምዒ መሳርሒታትን ከምዝረኸበ’ውን ገሊጹ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59828870"} {"headline":"ተጣቢቖም ዝተወለዱ መናቱ ሰብ ሞያ ኤሌክትሮኒክስ","content":"ህንዳውያን ሶህና ሲንግን ሞህና ሲንግን ኣብ ፑንጃብ ተጣቢቖም ዝተወለዱ መናቱ ኮይኖም። ኣብታ ዝተወለዱላ መዓልቲ ተደርብዮም ስለዝተረኸቡ ሓደ ገባሪ ሰናይ ኣዕብይዎም። ሎሚ ብናይ ኤሌክተሮኒክስ ሞያ ዲፕሎማ ተመሪቖም ነፍሲ ወከፎም ወርሓዊ 135 ዶላር ኣመሪካ መሃያ ይኽፍሎም’ሎ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60137118"} {"headline":"ስንክልቲ እየ . . . ግን ዓቢ ሕልሚ ኣለኒ'","content":"ህንዳዊት ጊታ ኩፑሳሚ ድንኪ ብምዃና፡ ኣስራሕቲ ክቈጽርዋ ከምዘይደልዩ ብኣጋ ተገንዚባ። ስለዚ ግዜኣ ስራሕ ኣብ ምድላይ ካብ ምጥፋእ ናይ ገዛእ ርእሳ ንእሽቶ ትካል ጀሚራ። ኣብዚ እዋን'ዚ ብርክት ዝበሉ ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎም ሰባት ቈጺራ ተስርሕ ኣላ። እታ 60 ሰንቲ ሜተር ዝቝመታ ጊታ፡ ሰባት ብሰንኪ ኣካላዊ ስንክልና ንድሕሪት ክተርፉ ክትርኢ ከም ዘይትደልን ዕውትቲ ምዃናን ትገልጽ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3ge38y61k5o"} {"headline":"ጨው ኣብዚሓትለይ ኢሉ ንሰበይቱ ሓኒቝ ዝቐተለ ህንዳዊ","content":"ፖሊስ ህንዲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንሓደ ወዲ 46 ዓመት ሰብኣይ ኣብ ቀይዲ ኣውዒልዎ። ምኽንያት ማእሰርቱ ድማ ኣብ ዝተዳለወ ቁርሲ፡ 'ጨው ኣብዚሓትለይ' ብዝብል ንበዓልቲ ቤቱ ሓኒቝ ብምቕታሉ'ዩ። \"ሰራሕተኛ ባንክ ዝኾነ ኒከሽ ጋግ፡ እቲ ብንግሆኡ ዝተዳለወሉ መግቢ ብዙሕ ጨው ስለዝነበሮ'ዩ ንጓል 40 ዓመት በዓልቲ ቤቱ ሓኒቑ ህይወታ ክሓልፍ ዝገበረ፡\" ክብል ኣዛዚ ፖሊስ ሚሊንዲ ደሳይ ንቢቢሲ ሓቢሩ። እቲ ገበን ክፍጸም እንከሎ ዝረኣየ ወዲ 12 ዓመት ወዶም ንፖሊስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣቦኡ ክሳብ መደቀሲ ክፍሊ ስዒቡ እቲ ቁርሲ ጨው ከምዝበዝሖ እናተዛረበ ንበዓልቲ ቤቱ [ኒርማላ] ክወቕዓ ከምዝጀመረ ኣረዲኡ። \"ካብቲ ዝፍጽሞ ዘሎ ተግባር ክዕቀብ እናበኸየ ነቦኡ ለሚንዎ\" ዝበለ ኣዛዚ ፖሊስ ዴሳይ፣ እንተዀነ ማህረምቲ ከየቋረጸ ብገመን ከምዝሓነቓ ገሊፁ። ሽዑ እቲ ቘልዓ ንዓባዩን ኣኮኡን ጸውዖም። \"ናብኡ ምስ በጽሑ ብቕልጡፍ ናብ ሆስፒታል ከብጽሕዋ ተጓይየዩ፣ ንሳ ግን ሽዑ ንሽዑ እያ ሞይታ\" ብምባል እቲ ፖሊስ ንቢቢሲ ኣረዲኡ። ነቲ ቕትለት ዝፈጸመ ሰብኣይ ጸኒሑ ኢዱ ንፖሊስ ክህብ እንከሎ፡ ከቢድ ሕማም ጸቕጢ ደም ከምዘለዎ'ዩ ተዛሪቡ፣ ተኣሲሩ ድማ። ቤተሰብ ናይታ ብሰብኣያ ዝተቐተለት ኒርማላ ንፖሊስ ከም ዝሓበርዎ፡ እቶም መጻምዲ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበሩ 15 መዓልታት ብውሽጣዊ ጉዳያት ናብ ቈይቂ ይኣትዎ ነይሮም'ዮም። ፖሊስ ግን ብዛዕባ እቲ ጐንጺ ካብታ ግዳይ ይኹን ካብ ስድራኣ ዝበጽሖ ሓበሬታ ከምዘይነበረ ይሕብር። ኣብ ህንዲ ጉዳይ መግቢ ዘንቀሎ ኣንስቲ ብሰብኡተን ተቐቲለን ዝብል ዜና ምስማዕ ልሙድ እናኾነ ይመጽእ ከምዘሎ ይግለጽ። ገለ ናይ ቀረባ ኣብነታት ንምጥቃስ፡ ኣብታ ሃገር ከምዚ ዝበሉ ፍጻመታት ዝዝውተረላ ህንዲ፡ ዘቤታዊ መጥቃዕትታት ካብ ዓመት ናብ ዓመት ይውስኹ ምህላዎም ይግለጽ። ኣብ 2020 ፖሊስ ካብ 112,292 ደቂ ኣንስትዮ ጥርዓን በጺሕዎ ነይሩ። እዚ ማለት ከኣ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ደቒቕ ሓደ ዘቤታዊ ግህሰት ይፍጸም ማለት'ዩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሕብሮ፡ ብደረጃ ዓለም ሓንቲ ካብ ሰለስተ ደቂኣንስትዮ ፆታ መሰረት ንዝገበረ መጥቃዕቲ ዝተቓልዐት'ያ። መብዛሕትኦም ጥሕሰታት ከኣ ብመጻምደን ይፍጸሙ። ኣብ ህንዲ መጽናዕቲ ንዘካየዱ ኣካላት ሓሳቦም ካብ ዝሃቡ ሰባት፡ እተን ልዕሊ 40 ሚእታዊት ደቂኣንስትዮ፡ 38 ደቂተባዕትዮ ኰይኖም፡ ንሳቶም \"ሓንቲ ሰበይቲ ንኣዝማድ በዓል ገዛኣ ክብሪ ዘይትህብ እንተኾይና፣ ንገዛኣን ንደቃን እንተዘይተገዲሳ፣ ንበዓል ቤታ ከይነገረቶ ናብ ደገ እንተወጺኣ፣ ፆታዊ ርክብ ንምግባር ድልውቲ እንተዘይኮይና ወይ መግቢ ብግቡእ እንተዘይሰሪሓ፡ ብሰብኣያ ክትውቃዕ (ክትግረፍ) ኣለዋ፡\" ዝብል ርእይቶ ሂቦም። ብፍላይ ኣብ ኣርባዕተ ግዝኣታት እታ ሃገር፡ ልዕሊ 77 ሚእታዊት ደቂኣንስትዮ፡ ኣብ ልዕሊ ኣንስቲ ንዝፍጸም ማህረምቲ ቅቡል ከምዝገብራ ሓቢረን። ኣብ ህንዲ ብኦክስፋም ንዝድገፍ ፕሮግራም ፍትሒ ንደቂኣንስትዮ እትመርሕ ኣሚታ ፒተር፡ \"ኣብ ህንዲ ንፆታ መሰረት ዝገበረ ግህሰታት ዝለዓለ ቅቡልነት ኣለዎ፣ ምኽንያቱ ደቂኣንስትዮ ከም ተኣዛዚት (ጽግዕተኛ) እያ ትቑጸር፡\" ክትብል ተረድእ። ሰበይቲ ንሰብኣያ ምእዝዝቲ ክትኸውን ኣብቲ ማሕበረሰብ ዝተሃነጸ እምነትን ኣተሓሳስባን ከምዘሎ ብምሕባር ከኣ፡ ውሳነ ናይ ምሃብ ሓላፍነት ናይ ሰብኣይ ከም ዝዀነ፣ ንሳ ንዕኡ ክተገልግል ከምዝግባእ፣ ትምህርቲ ብዝለዓለ ደረጃ ክትመሃር ከምዘይብላ ከምዝእመን ትገልጽ። ብሰንኪ እዞም ምኽንያታት ድማ ዝበዝሓ ደቂኣንስትዮ ህንዲ፡ ዋላ'ውን እተን ብቐጻሊ ብሰብኡተን ዝህረማ ነቲ ኩነታት ከም ዕጫአን እየን ዝቘጽራኦ። ናብ ፖሊስ ክሲ ከቕርባ'ውን ኣይመርጻን። ኣብ መሰላት ደቂኣንስትዮ ዝሰርሕ 'ቫናንጋና' ዝተበሃለ ትካል ግብረ-ሰናይ ዘቘመት ኩክሬጃ፡ \"ኣብ ህንዲ ዝፍጸም ማህረምቲ ኣንስቲ ናብ ፖሊስ ዝበጽሕ ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ከኣ ክትጽብጽቦ ወይ ክትምዝግቦ ቀሊል ኣይኮነን። ዝበዝሑ ሰባት፡ 'እቲ ኣብ ገዛ ዝተፈጸመ ኣብ ገዛ ክተርፍ ኣለዎ፡' እዮም ዝብሉ። በዚ ምኽንያት ከኣ ደቂኣንስትዮ ናብ ፖሊስ ክኸዳ ኣይተባብዓን፡\" ትብል። ነቲ ትካል እትመርሕ ፑሽፓ ሻርማ ብወገና፡ ሰብኡተን ወቒዖምወን ምስ ደቀን ዝተርፋ ኣደታት ከምዘለዋ ትዛረብ፣ ክልተ ኣጋጣሚታት ከም ኣብነት ትጠቅስ። \"ንኽልቲአን ሰብኡተን ብጸጕሪ ርእሰን እናጐተቱ ናብ ደገ ኣውጺኦምወን፤ ኣብ ቅድሚ ጐረባብቲ ኣናሽዮምወን። መግቢ ብዝግባእ ኣይሰርሓን ዝብል'ዩ ናይ ክልቲኦም ምኽንያት። መግቢ እቲ ቀንዲ ምኽንያት'ዩ፡\" ክትብል ተዛሪባ። ዝወልድዎ ቈልዓ ወዲ ክኾነሎም ዝደልዩ ሰብኡት፡ ሰበይቶም ጓል እንተወሊዳ ክወቕዕዋ ከምዝኽእሉ'ውን ወሲኻ ሓቢራ። ሕብሪ ቆርበተን ጽልም ዝበለ ብምዃኑ፣ \"ጽብቕቲ ኣይኮንክን፡\" ብዝብል፣ እኹል ገዝሚ ዘምጽኣ እንተ ዘይኮይነን፣ ሰብኣይ ሰትዩ መጺኡ፡ መግቢ ወይ ማይ ቀልጢፈን እንተዘየቀሪበን፣ ኣብ መግቢ ጨው እንተብዚሑ ወይ እንተረሲዑ ከቢድ ማህረምቲ ዘጋጥመን ደቂኣንስትዮ ብዙሓት ከምዝኾና ፑሽፓ ሻርማ ንቢቢሲ ተዛሪባ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61304991"} {"headline":"ህንዲ፡ ወርሓዊ ጽግያት ዝርእያ ደቂ ኣንስትዮ ተገሊለን ዝቕመጣሎም 'ኣጉዶታት ጽግያት'","content":"ኣብ ህንዲ ወርሓዊ ጽግያት ንነዊሕ ግዜ ነውሪ ተገይሩ'ዩ ዝቑጸር። ወርሓዊ ጽግያት ዝርእያ ደቂ ኣንስትዮ ረስሓት ተገይረን ስለ ዝቑጸራ ኣብ ትሕቲ ከቢድ እገደታት'የን ዝነብራ። ካብ ማሕበራውን ሃይማኖታውን ምትእኽኻባት ክግለላ እንከለዋ፡ ናብ ቤተ መቕደስ ወይ ቅዱስ ቦታ ጥራሕ ዘይኮነ ናብ ኩሽና'ውን ከይኣትዋ ዝተኸልከላ እየን። እንተኾነ ጋድቺሮሊ ኣብ ዝተባህለት ድኻን ዘይለምዐትን ዞባ ህንዲ ዝርከቡ ዓሌታት ጎንድን ማዲያን ዘሎ ተነጽሎ ደቂ ኣንስትዮ ኣዝዩ ዝኸፍአ እዩ። መግቢ ክሰርሓ ወይ ካብቲ ከባቢአን ማይ ክሓኹራ ኣይፍቀደለንን፤ ክሳብ ካብ ካልኦት ወርሓዊ ጽግያት ዘይርእያ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ኣባል ስድርአን ዝመጽአን ይጽበያ። ወዲ ተባዕታይ እንተተንኪፉወን \"ብምትንኻፉ ጥራይ ስለ ዝረስሕ\" ቐልጢፉ ማይ ክሕጸብ ኣለዎ። እዚ ካብ ባህላዊ እምነት ዝምንጪ ኮይኑ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ወርሒ ንሓሙሽተ መዓልታት ኣብቶም ካብቲ ከባቢ ርሒቐም ኣብ ጫካ ዝተሰርሑ ኣጉዶታት ክጸንሓ ይግበር። \"ኣጉዶታት ጽግያት\" ኣብ ምዕራብ ህንዲ ኣሽሓት ደቂ ኣንስትዮ ወርሓዊ ጽግያት ኣብ ዝርእያሉ እዋን ካብቲ ዝተረፈ ክፋል ሕብረተሰብ ተፈልየን ዝቕመጣሎም ኣጉዶታት'ዮም። ይኹን'ምበር እዞም ኣጉዶታት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘሎ ተነጽሎ ዘርእዩ'ዮም ብዝብል ክውገድሉ ዝኽእል ስትራቴጂ ክሕንጸጽ ከም ዘለዎ ነቐፍቲ ይዛረቡ። ጎስጎስቲ ብወገኖም ብምኽንያት ወርሓዊ ጽግያት ዝበጽሕ ሕፍረት ክሳብ ዝቐጸለ እዚ ነተን ደቂ ኣንስትዮ ውሑስ ቦታ'ዩ ኢሎም ይካትዑ። እዞም ኣጉዶታት 'ኩርማ ግሃር' ተባሂሎም ዝጽውዑ ኮይኖም መደቀሲ ዓራት፣ ሽቓቕ፣ ማይን ናይ ጽሓይ ጸዓትን ዘለዎም'ዮም። ኣብ ሙምባይ ማእከሉ ዝገበረ ገባሪ ሰናይ ማሕበር ኬሄርዋሲ ማሕበራዊ ድሕነት ነዘን ዝፈራረሳ ኣጉዶታት ኣብ ምትክካእ ይሰርሕ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቱኩም ተባሂላ ኣብ እትጽወዕ ዓዲ ዝተሰርሐ ፈላማይ ዘመናዊ ኣጉዶ 90 ወርሓዊ ጽግያት ዝርእያ ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋ። ሕጂ ህይወት ፍኹስ ኢሉለን ኣሎ። ቅድም ኢሉ ናይ ጽግያት መዓልተን ክቐርብ እንከሎ ናብቲ ካብ ጭቃን ሸምብቆን ዝተሰርሐ በሪ ይኹን መስኮት ዘይብሉ ሕጽረት ብዙሓት ቐረባት ዘለዎ ኣጉዶ ክኸዳ ይግደዳ ነይረን። ማይ ክሕጸባ ወይ'ውን ክዳነን ክሓጽባ ክደልያ እንከለዋ ካብቲ ዝነብራሉ ሓደ ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ዝርከብ ሩባ ይኸዳ። ጓል 35 ዓመት ሱርክሃን ሃላሚ ኣብ እዋን ሓጋይ ኣዝዩ ከም ዝመውቕን ብጣንጡ ከም ዝውረርን፣ ኣብ እዋን ክረምቲ ክኣ ኣዝዩ ከም ዝቖርር፤ ዝናብ ክዘንብ እንከሎ'ውን ዝባን እቲ ገዛ ማይ ስለ ዘዝልቕ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ከም ዝኾነን ትዛረብ። ሓሓሊፉ ኣኽልብትን ሓሸማታትን ናብ ገዛ እናኣተዋ ከም ዘጸግሙለን ገሊጻ። ጓል 21 ዓመት ሺታል ናሮቴ ኣብቲ ኣጉዶ ንብሕታ ክትቕመጥ ክፍረዳ እንከሎ፡ ድቃስ ዝብሃል ከም ዘይትረክብ እያ ትገልጽ። \"ውሽጡ ይኹን ደጊኡ ጸልማት ስለ ዝኾነ፡ ናብ ገዛይ ክኸይድ እንተደለኹ'ውን ኣማራጺ ስለ ዘይብለይ ምስ ፍርሐይ ኣብኡ የሕልፎ\" ትብል። ጎረቤታ ጓል 45 ዓመት ዱርባታ ቅድሚ 10 ዓመት ኣብቲ ኣጉዶ ዝነበረት ሓንቲ ጓል 21 ዓመት ጓል ኣንስተይቲ ተመን ነኺሱዋ ምሟታ ትዛረብ። \"እናበኸየትን እናእወየትን ካብቲ ኣጉዶ ጎይያ ክትወጽእ እንከላ ሰንቢድና ክንትስእ እንከለና ፍርቂ ለይቲ ኮይኑ ነይሩ። ደቂ ኣንስትዮ ኣዝማዳ ባህላዊ መድሃኒት ሂበን ክሕግዝኣ ፈቲነን። እቶም ደቂ ተባዕትዮ ኣዝማዳ ግን ብርሑቕ እናማዓደው ይርእዩዋ ነይሮም። . . . ወርሓዊ ጽግያት እትርኢ ጓል ኣንስተይቲ ርኽስቲ'ያ ተባሂሉ ስለ ዝእመን ኣይቐርቡዋን። መርዚ እቲ ዝነኸሳ ተመን ናብ ሰብነታ እናተዘርአ ምስ ከደ ግን ድሕሪ ሰዓታት ሞይታ\" ኢላ። እቶም ሕጂ በቲ ገባሪ ሰናይ ተመሓይሾም ዝስርሑ ዘለው ኣጉዶታት፡ ምስ ሓመድ ካብ ዝተወሃሃደ ናይ ማይ ፕላስቲክ ተለጋጊቦም ዝተሰርሑ'ዮም። ቀይሕ፣ ሰማያውን ቢጫን ሕብሪ ዘለዎም ጎማታት ንግድግዳ እቲ ገዛ ክመልኡዎ ከለው፡ ሸሞንተ መደቀሲ ዓራት ከምኡ'ውን ሽቓቕን በርን ኣለዎ። እዚ 8900 ዶላር ወጻኢ ከም ዝተገብረሉን ክልተ ወርሕን ፈረቓን ከም ዝወሰደን ኒኮላ ሞንቴሮ እቲ ገባሪ ሰናይ ገሊጹ። እቲ ገባሪ ሰናይ ኣርባዕተ ኣጉዶታት ወርሓዊ ጽግያት ከም ዝሃነጸ ክገልጽ እንከሎ ተወሰኽቲ ሽዱሽተ ኣብ መፋርቕ ሰነ ዝኽፈቱ ኣጉዶታት ኣብ ጥቓ እቲ ዓዲ ከም ዝሃነጸ ገሊጹ። ስፕራሽ ናይ ዝተባህለ ገባሪ ሰናይ ፕሬዝደንት ዲሊፕ ባርሳጋዴ ንዝሓለፉ 15 ዓመታት ኣብቲ ከባቢ ክሰርሕ እንከሎ፡ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ 223 ኣጉዶታት ምብጻሕ ከም ዝገበረን ናይዚኦም 98 ሚኢታዊት \"ውሕስነት ዘይብሎምን ረስሓትን\" ከም ዝኾኑ ገሊጹ። ካብ ነበርቲ ካብ ዝረኸቦ ሓበሬታ \"ኣብ ኩርማ ዝነብራ ዝነበራ ኣስታት 21 ደቂ ኣንስትዮ ብቐሊሉ ምውጋድ ብዝክኣሉ ምኽንያታት ሞይተን\" ኢሉ። \"ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ተመን ነኺሱዋ ክትመውት እንከላ፡ ካልእ ብድቢ ተነኺሳ፣ ካልእ ጓል ኣንስተይቲ ድማ ብምኽንያት ሓያል ረስኒ ሞይተን\" ክብል ኣብሪሁ። ካብዚ ጸብጻብ ተበጊሱ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ህንዲ መንግስቲ ነዚ \"ልምዲ ከጥፍኦን ኣብ ልዕሊ ድሕነትን ሰብኣዊ መሰላትን ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ግህሰት\" ደው ከብሎን እኳ እንተሓበረ ሕጂ'ውን ከይተወገደ ቐጺሉ ኣሎ። ኩለን ኣብ ቱኩምን ጎረባብቲ ዓድታትን ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ናብተን ኣጉዶታት ተመሊሰን ክኸዳ ከም ዘይደልያን፡ ሓሓሊፉ እቲ ዘሎ ሕጽረት ቀረባት ተደራቢ ጸገማት ከም ዝኾኑወን ይዛረባ። ኣመሓዳሪ ሓንቲ ዓዲ እቲ ከባቢ ዝኾነ ቸንዱ ኡሰንዲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል እቲ ባህላዊ እምነት ከም ዘይልወጥ እዩ ዝገልጽ። ነዚ ዝተቓወሙ ከም ዝተቐጽዑን ነቲ ባህሊ ረጊጾም ዝተረኸቡ ነቲ ከባቢ ድግስ ደጊሶም ክክሕሱን ክቕጽዑን ከም ዝተገብረ ገሊጹ። ሃይማኖታዊ እምነትን ባህልን ምኽንያት እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ዘሎ ተነጽሎ ከም ዝኾነ ክግለጽ እንከሎ፡ ብዙሓት ገጠር ዓድታት ናብ ከተማ ምእታው ብምጅማረን ከምኡ'ውን ዝተመሃራ ደቂ ኣንስትዮ ነዚ ናይ ድሕረት ሓሳባት ክቃወማ ጀሚረን ኣለዋ። ናይዚ ውጽኢት ሓደ ጉጅለ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ቤተ መቕደስ ሂንዱን ቤተ እምነት እስላምን ከምኡ'ውን ማሕበራዊ ሚዲያታት ብምኻድ #HappyToBleed ዝብል ጎስጓስ ብምክያድ ኣብ ልዕሊ ወርሓዊ ጽግያት ዘሎ ኣሉታዊ ኣመለኻኽታ ክውገድ ይሰርሓ ኣለዋ። ይኹን'ምበር ሕጂ'ውን ሱር ዝደሰሰ ድሑር ኣመለኻኽታ ብምህላዩ ብቐሊሉ ለውጢ ምምጻእ ኣጸጋሚ ከም ዝኾነ ይእመን። ብዙሓት መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ክምሃራን ኣብ ልዕሊ ባህላዊ ልምዲ ሕብረሰተበን ሕቶ ከልዕላ እንተጀመራ'ውን እቲ ዝበዝሕ እቲ ዝበጽሕ ዘሎ ተነጽሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምዃኑ ዘይምርዳእ ኣሎ ክብሉ ተሓለቕቲ የረድኡ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57368663"} {"headline":"ህንዲ፡ ኮብራ ተመን ከም መሳርሒ ቅትለት ዝወዓለሉ ገበን","content":"ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓደ ህንዳዊ ንብዓልቲ ቤቱ ብ'ኮብራ' ዝተባህለ ተመን ኣንኪሱ ብምቕታሉ ክልተ ምሉእ ናይ ሕልፈት ማእሰርቲ ተፈሪዱ ነይሩ። ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ሱቲክ ቢስዋስን ኣሽራፍ ፓዳናን እቲ ዘስካሕክሕ ቅትለት ብኸመይ ከምዝተፈጸመ ሰኒዶሞ ኣለዉ። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2020፡ ወዲ 28 ዓመት ሱራጅ ኩማር፡ 7000 ሩፒ (92 ዶላር ወይ 67 ፓውንድ) ብምኽፋል፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም መርዛማት ተባሂሎም ዝፍለጡ፡ ትንኳዕ ኮብራ ገዚኡ። ንግዲ ኣትማን ኣብ ህንዲ ክልኩል'ዩ። ስለዝኾነ ድማ'ዩ ሱራጅ ነቲ ዕድጊ ብሕቡእ ፈጺምዎ። ሸያጢ ተመን ድማ ኣብ ደቡባዊት ክፍለሃገር ኬራላ ዝነብር ኣብ ሃድን ኣትማን ዝተዋፈረ ሱረሽ ኩማር እዩ። ሱራጅ፡ ነቲ ዝዓደጎ ተመን ኣብ ሓደ ኣየር ክኣትዎ ዘንኮሎ መትሓዚ ፈሳሲ ጎማ (ኮንተይነር) ብምእታዉ ወሲድዎ። ድሕሪ 13 መዓልታት ድማ፡ ነቲ ጎማ ኣብ ቦርስኡ ብምእታዉ ናብቲ 44 ኪሜ ርሒቑ ዝርከብ እንዳሓሙኡ ከደ። ኣብቲ እዋን ብዓልቲ ቤቱ ኡትራ ብሓደ ዘይተፈልጠ ተመን ተነኺሳ ኣብቲ እንዳ ስድራኣ ትእለ ነይራ። ሱራጅን ኡትራን፡ ክልተ ዓመት ኣቒዲሞም'ዮም ብሓደ ናይ መውስቦ ድለላ ኣገልግሎት ዝህብ ትካል ተራኺቦም። ኣቦ ሱራጅ፡ ሪክሻው (ባጃጅ) እናዘወረ ዝናበር ኮይኑ፡ ኣዲኡ ግን ኣላይት ገዛ'ያ። እታ ብሰለስተ ዓመት እትንእሶ ኡትራ፡ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዋ ኮይና፡ ድሓን ሃብቲ ዘለዎም ካብ ዝብሃሉ ስድራቤት ዝተወልደት እያ። ኣቦኣ ኣብ ናይ ጎማ (ራበር) ንግድ ዝተዋፈረ ክኸውን እንከሎ፡ ኣዲኣ ድማ ሓላፊት ቤት ትምህርቲ ዝነበረት'ያ። እቶም መጻምድቲ ምስ ተመርዓዉ፡ ሱራጅ ብናይ ሎሚ ዋጋ ኣስታት 32,000 ዶላር 768 ግራም ወርቂ፡ ሱዙኪ ዝተባህለት ናይ ገዛ ማኪናን 400,000 ሩፒ ጥረ ገንዘብን ተገዚሙ ነይሩ። ኣብ ርእሲኡ፡ እንዳሓሙኡ \"ንጓሎም ምእንቲ ክከናኸነሎም\" ወርሓዊ 8000 ሩፒ ይወሃቦ ነይሩ ክብሉ መርመርቲ ይገልጹ። ኡትራ፡ ካብቲ ብተመን ተነኺሳ ዝኣተወቶ ሆስፒታል ምስ ወጸት፡ ናብ እንዳዓለቦኣ (እንዳ ስድራኣ) ከይዳ ትእለ ነይራ። ኣብቲ ሆስፒታል ኣብ ዝጸንሓትለን 52 መዓልታት እቲ ዝተነኽሰ እግራ ንክሕከም ሰለስተ ቃንዛ ዝመልኦ መጥባሕቲ ተኻዪዱላ። በቲ ኣብ ህንዲ ዓመታዊ ኣሽሓት ሰባት ዝቐትል፡ 'ራሰልስ ቫይፐር' ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣዝዩ መርዛም ሓመዳይ ተመን'ያ ተነኺሳ። መርመርቲ ከምዝበልዎ፡ ብ6 ግንቦት፡ ኡትራ ከይሓወየት እንከላ፡ ሱራጅ ኣደንዛዚ መድሃኒት ዝተሓወሶ ሓደ ብርጭቆ ጹማቕ ሂቡዋ። ደንዚዛ ምስ ደቀሰት ድማ፡ ነቲ ሓደ ሚትሮን ፈረቓን ዝኸውን ኣብ ጎማ ኣእትዩ ዘምጽኦ ኮብራ ኣውጺኡ ኣብ ልዕሊኣ ደርብይዎ። ግና፡ ኣብ ክንዲ ዘጥቅዓ እቲ ተመን ለምም እናበለ ከይዱ። ሱራጅ፡ ኣልዒሉ መሊሱ ናብኣ ደርብይዎ። ሕጂ'ውን እቲ ተመን ለመም እናበለ ተኣልዩ። ንሳልሳይ ግዜ ኣልዒሉ፡ ነቲ ተመን ብርእሱ ሒዙ፡ ኣብ ጸጋማይ ቅልጽም ሰበይቱ ጸቒጥዎ። እቲ በቲ ኩነታት ዝጠቖጥዐ ለመምታ ድማ ክልተ ሳዕ ነኺሱዋ። ብድሕሪኡ፡ ናብ ከብሒ ናይቲ ክፍሊ ኣትዩ ኣብኡ ሓዲሩ። \"ኮብራ፡ እንተዘይተዂቲኽካዮ ኣይናኸስን'ዩ፡ ስለዚ ሱራጅ ብርእሱ ሒዙ ኣብ ልዕሊ ሰበይቱ ክጸቕጦ ነይሩዎ\" ይብል ኣብ መጽናዕቲ ለምምታ ዝነጥፍ ማቪሽ ኩማር። ሱራጅ፡ ነቲ ናይ ጽማቕ ብርጭቆ ሓጺቡ፡ ነቲ ተመን ክሕዝ ዝተጠቕመሉ በትሪ ሰይሩ፡ ከቃልዖ ዝኽእል ናይ ቴለፎን ሓበሬታ ደምሲሱ ይብሉ ኣብቲ ጉዳይ ዝተዋፈሩ መርመርቲ። ኣዲኣ ንኡትራ፡ ናብቲ መደቀሲ ክፍሊ ምስኣተወት፡ ጓላ፡ ኣብ ዓራት \"ኣፋ ተኸፊቱ፡ ጸጋማይ ኢዳ ጠልጠል ኢሉ\" ከምዝጸንሓታ ንፖሊስ ሓቢራ። ሱራጅ'ውን ኣብቲ ክፍሊ ከምዝነበረ'ያ ትዛረብ። \"ስለምንታይ ምስ ዊኖኣ ምህላዋ ከተረጋግጽ ኣይከኣልካን?\" ክትብል ማኒመካላ ቪጃያን ንሰብኣይ ጓላ ትውከሶ። \"ካብ ድቃሳ ከበራብራ ኣይደለኹን\" ክብል ሱራጅ ይምልስ። ብኩነታታ ዝሰንበዱ ስድራቤታ ተቐላጢፎም ናብ ሆስፒታል ወሲዶማ፡ እንተኾነ ግን ሓካይም ተመሪዛ ከምዝሞተት ብምርግጋጽ፡ ፖሊስ ጸዊዖም። ኣብ ሬሳኣ ብዝተገብረ መርመራ፡ ኣብ ቅልጽማ ክልተ ጽምዲ ውጋእ ኣብ ዝተቐራረበ ቦታታት ረኺቦም። ናይ ደም መርመራ ምስተገብረ ድማ፡ ናይ ኮብራ ተመን መርዚን ኣደንዛዚ መድሃኒትን ጸኒሕዋ። ናይ ኮብራ ተመን መርዚ ንጭዋዳታት ስርዓተ-ምስትንፋስ ብምልማስ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ክቐትል ይኽእል'ዩ። ስድራቤት ኡትራ ብዝገበርዎ ጥርዓን፡ ሱራጅ ብ24 ግንቦት ምስ ዘይንቡር ሞት ብዓልቲ ቤቱ ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ኣትዩ። ድሕሪ'ቲ 78 መዓልታት ዝወሰደ መርመራን፡ ልዕሊ 1000 ገጽ ዘለዎ ክሲን ድማ መስርሕ ፍርዲ ተጀሚሩ። ተመራመርቲ ስነ-ለመምታን ሓካይምን ዝርከብዎም ልዕሊ 90 ሰባት ምስክርነቶም ሂቦም። ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ንሰነዳት ቴለፎን ሱራጅ፡ ናይ ኢንተርነት ሓበሬታ፡ ተፋሒሩ ዝወጸ ዝሞተ ኮብራ፡ ኣብ ማኪና ዝጸንሐ ኣደንዛዚ መድሃኒትን ቅድሚ ሕጂ ክልተ ኣትማን ገዚኡ ምንባሩ ዝገልጽ መርትዖታትን ብምእካብ ንፍርዲ ተዳልዮም'ዮም። መርመርቲ ከምዝበልዎ ድማ፡ ሱራጅ ራሰልስ ቫይፐር ዝተባህለ፡ ፈለማ ንኡትራ ዝነኸሳ መርዛም ተመን ገዚኡ ከምዝነበረ ዝገልጽ መርትዖ'ውን ተረኺቡ'ዩ። መዓስ እዚ ጥራይ፡ ሃዳናይ ተመን ሱረሽ'ውን ክልተ ኣትማን ከምዝሸጠሉ ተኣሚኑ። ሓደ ኪኢላ ኣትማን'ውን፡ እቲ ኮብራ ብክፉት መስኮት ክኣቱ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ ምዃኑ ኣብ ቤት ፍርዲ መስኪሩ። ህያው ኮብራን ተሓዚኡን፡ ከምኡ'ውን ንግዳይ ዝውክል ባንቡላን ዘለዎ ምስሊ ቦታ ፍጻመ ገበን'ውን ንምርኢት ቀሪቡ። \"ኮብራ ብለይቲ ንቑሓት ኣይኮኑን። ኣብቲ ናይ ሰብ ባንቡላ መምስ ደርበናዮ ለመም ኢሉ'ዩ ናብ ምድሪ ወሪዱ፡ ናብቲ ዝጸልመተ ኩርናዕ ናይቲ ክፍሊ ይኸይድ\" ክብል ማቪሽ ኩማር ተዛሪቡ። \"ዋላ'ውን ምስ ቶኽቶኽናዮ ክናኸስ ኣይፈተነን\"። ንሓደ ኮብራ ብክሳዱ ሒዙ ኣብ ስጋ ደርሆ ምስ ጸቐጦ ግን መርዚ ከፍስስ ጀሚሩ። እቲ ኣብ መንጎ'ቲ ኣብ ቅልጽም ኡትራ ዝተረኽበ ክልተ ውጋእ ዘሎ ፍልልይ ድማ ማዕረ'ቲ ኣብቲ ስጋ ደርሆ ዝተራእየ ውጋእ ኮይኑ። \"እዚ ጉዳይ'ዚ፡ ሰይጣናዊ ቅትለት ብዓልቲቤት'ዩ\" ክብል ዳኛ ኤም. ማኖጅ ገሊጽዎ። ስለዝኾነ ድማ፡ ሱራጅ ደይ-መደይ ኢሉ ንኡትራ ቀቲሉ \"ብኮብራ ከምዝተነኸሰት ከምስል ብምፍታኑ፡ ንሕልፈት ክእሰር ፈሪዱዎ። መርመርቲ ከምዝበልዎ፡ ሱራጅ ሰበይቱ ንምቕታል፡ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ወርሒ ክልተ ጥራይ ዘይኮነ ሰለስተ ፈተነታት'ዩ ኣካይዱ። እቲ ኣመላላሲ ሰራሕተኛ ባንክ ዝኾነ ሱራጅ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት'ዩ ንሃዳናይ ኣትማን ሱረሽ ምስ ረኸቦ ራሰልስ ቫይፐር ዝተባህለ ተመን ብ10,000 ሩፒ ገዚኡሉ። ኣብ ኮንተይነር ገይሩ ንገዝኡ ምስ ወሰዶ ድማ ኣብ እንዳ ዕንጨይቲ ኣቐሚጡዎ። ብድሕሪኡ፡ ብ27 ለካቲት ሱራጅ ነቲ ተመን ኣብ ምድሪቤት ናይቲ ኣብ ቀዳማይ ደርቢ ዘሎ ክፍሊ ፈንይዎ። ሰበይቱ ናብኡ ከይዳ ቴለፎኑ ከተምጽኣሉ ድማ ሓቲቱዋ። ኡትራ፡ እቲ መርዛም ተመን ኣብ ምድሪ ተዓዂሊሉ ምስ ራኣየት ናይ ርድኡኒ ጻውዒት ገይራ ክትብል ኣዲኣ ትዛረብ። ሱራጅ ናብቲ ደርቢ ደዪቡ ነቲ ተመን ብበትሪ ኣልዒሉ ካብ ገዛ ወጺኡ። ናብቲ ኣብ ደገ ዝነበረ ኮንተይነር መሊሱዎ። ብ2 መጋቢት ድማ ካልኣይ ፈተነ ኣካዪዱ። ኣብ ምቁር መግቢ ኡትራ መደንዘዚ ብምሕዋስ፡ ምስ ደቀሰት ነቲ ተመን ኣብቲ ዝደቀሰትሉ ክፍሊ ፈንይዎ። ኣብዚ እዋን'ዚ ግን፡ እቲ ተመን ኣጥቂዕዋ። ኣብ እግራ ዝተነኽሰት ኡትራ፡ ብቓንዛ ኡይ እናበለት ተበራቢራ። ሽዑ ሱራጅ ነቲ ተመን ብመስኮት ደርብዪዎ። \"መንከስቲ ተመን ኣብ ኬራላ ልሙድ ስለዝኾነ ካልእ ሕማቕ ነገር ኣይጠርጠርናን\" ይብል ኣቦኣ ንኡትራ ቪጃኣሰናን ቪድህያድሃራን። ኣብ ህንዲ ዓመታዊ ኣስታት 60,000 ሰባት ብተመን ተነኺሶም ይሞቱ። ኣብታ ምሸት ጽኑዕ ክንክን ክህብ ዝኽእል ሆስፒታል ንምርካብ ልዕሊ 2 ሰዓት ወሲዱ። ኡትራ፡ ሕበጥን ምድማይን በርቲዕዋ ነይሩ። ሰለስተ ናይ ቆርበት መጥባሕቲ ድሕሪ ምክያዳ ኸኣ ናብቲ ኣብ ኮላም ዝተባህለ ከባቢ ዝርከብ ብዓል ክልተ ደርቢ ገዛ ስድራኣ ተመሊሳ። ሱራጅ ድማ ምስ ወዱን ወለዱን ኣብቲ ኣብ ፓታናምቲታ ዝርከብ ገዝኦም ተሪፉ። እንተኾነ ግን ሕጂ'ውን ካልእ ውዲት'ዩ ዝኣልም ነይሩ። \"ብዓልቲቤቱ ኣብ ሆስፒታል እንከላ፡ ሱራጅ ኣትማን ብኸመይ ከምዝተሓዙ ኣብ መርበባት ኢንተርነት ሃሰው ይብል ነይሩ። ብዛዕባ መርዚ ኣትማን'ውን ከጽንዕ ጀሚሩ\" ይብል ሓደ ካብ መርመርቲ ዝኾነ ኣኑፕ ክሪሽና። እቲ መርማሪ ከምዝብሎ፡ ሱራጅ፡ ወዶም ድሩቭ ኣብ 2019 ካብ ዝውለድ ንደሓር'ዩ ነቲ ቅትለት ንምፍጻም ክኣልም ጀሚሩ። ብዛዕባ መርዛማት ኣትማን ኣብ ኢንተርነት የንብብን፡ ብዛዕባ እተሓሕዝኦም ናይ ዩቱብ ቪድዮታት ይርእን ከምዝነበረ ታሪኽ ዳህሳስ ኢንተርነቱ ይምስክር። ሓደ ካብቶም ዝርኣዮም ቪድዮታት ብሓደ ፍሉጥ ሃዳናይ ኣትማን ዝዳሎ ኮይኑ \"ሓደገኛን ተናኻሲን ራሰልስ ቫይፐር\" ዝብል ምርኢት'ዩ ነይሩ። ሱራጅ፡ ሰበይቱ ኣብ ሕልማ \"ብናይ ገበል መርገም ትስንብድያ\" ክብል ንመሓዙቱ የዕልል ምንባሩ'ውን ጸብጻባት ይገልጹ። እቲ ሓቂ፡ ሱራጅ፡ ገንዘባ ብምስራቕ ካልእ ሰበይቲ ንምምርዓዉ ደይ-መደይ ኢሉ ክቐትላ ከምዝወጠነ መርመርቲ ገሊጾም። \"ብደቂቕ'ዩ ወጢንዎ፡ ኣብ ሳልሳይ ፈተነ ድማ ተዓዊቱ\" ይብል መራሒ ናይቲ መርመራ ፓሊስ ኣፑኩታን ኣሾክ። ኣኽባሪ ሕጊ ሞሃንራዥ ጎፓላክሪሽናን፡ እቲ ጉዳይ \"ኣብ ህንዲ ካብ ዝተገብረ መርመራታት ኣገዳሲ ምዕራፍ ዝሕዝ ኮይኑ፡ እንስሳ ናይ ቅትለት ኣጽዋር ከምዝኾነ ኣኽበርቲ ሕጊ ከረጋግጹ ዝኸኣልሉ'ዩ\" ኢሉ። እቲ ሳሕቲ ዛጋጥም ክልተ ናይ ሕልፈት ማእሰርቲ ዝተበየነሉ ሱራጅ፡ ዝኾነ ጣዕሳ ከምዘየርኣየ እቲ ኣኽባር ሕጊ ተዛሪቡ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59026972"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ ኣብ ብከላ ኣየር ዝፈጠሮ መስተርሆት","content":"ኣብ ዓለም ብሰንኪ ብከላ ኣየር ዓመታዊ ኣስታት 7 ሚልዮን ሰባት ከምዝሞቱ ጸብጻባት ውድብ ጥዕና ዓለም የረድእ። ዓለም ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ዕጽዋ ምስ ኣምረሐት ግን መገሻታት ናይ ደቂ ሰባት ስለዝጎደለ ማዕረ ማዕሪኡ ብከላ ኣየር ብሰፊሕ ከምዝጎደለ ይግለጽ። ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዘርእዮ ካብ ህዝቢ ዓለም 90 ሚኢታዊት ንብከላ ኣየር ዝተቃልዑ ምኳኖምን ልዕሊ እቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ዘቐመጦ ቀመር ብከላ ኣየር ከምዝስሕቡን የረድእ። ልዕሊ ርብዒ ካብቲ ንኣየር ዝብክል ካርቦንዳይኦክሳይድ ሰብ ምዓልታዊ ንጥፈታቱ ንምክያድ ካብ ዝጥቀመሉ ነዳዲ ዝምንጩ እዩ። ብዙሓት ሃገራት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምንቅስቃስ ድሕሪ ምእጋደን ግን ብመኪና ካብን ናብን ዝግበር ምንቅስቓስ ኣዝዩ ጎዲሉ። ዓለምለኻዊ አጄንሲ ጽዓት ኣብ ዘውጽኦ ጸውጻብ፡ ምስ ናይ 2019 ብምውድዳር ድሕሪ ክስተት ኮሮናቫይረስን ዝሰዓበ ዕጽዋን ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ብ50 ሚኢታዊት ምጉዳል ከምዘርኣየ እዩ ዝገልጽ። ብሰንኪ እዚ ብከላ ኣየር'ውን ዓቢ ምጉዳል መርኣዩ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ። ኣብ ዓለም ኣብተን ዕጽዋ ዝተኣወጀለንን ሰብ ብጻዕቂ ዝነብረለንን ከተማታት እቲ ምጉዳል ብከላ ኣየር ብርኡይ ከምዘንቖልቆለን ሰማይት እተን ከተማታት ንጽርነት ከምዝለበሰን ይሕበር። ኣብ ዓበይ በርጣንያ ብሃገራዊ ማእከል ሳይንስ ኣትሞስፌር ኣብ 10 ከተማታት ዝተገበረ ጸብጻብ፡ ኣብተን ከተማታት መጠን ናይትሮጅን ዳይኦክሳይድ ምንካዩ ከረጋግጽ ክኢሉ እዩ። ኣብ ህንዲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ 90 ሚኢታዊት ምንቅስቓስ ናይ ተሽከርከርቲ ደው ምስ በለ፡ ነበርተ ነቲ ጽሩይ ሰማያት ስኢሎም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዝርግሕዎ ጀሚሮም። ተመራማሪ ጸዓትን ጽሩይ ኣየርን ሱኒል ዲህያ ዝተብሃለ ህንዳዊ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት እዚ ብሰንኮ ሮናቫይረስ ዝሰዓበ ቅልውላው ውሁድ ስጉምቲ እንተተወሲዱ ብከላ ኣየር ክውገድ ከምዝኽእል እየ ምሂርና ኢሉ። እንተኮነ እቲ እግዳታት ምስ ፎኾሰን ምንቅስቓስ ምስ ተጀመረን እቱኢ ብከላ ኣየር'ውን ናብቲ ቅድሚ ኮሮና ዝነበሮ ይምለስ ከምዘሎ እዮም ተመራመርቲ ዝሕብሩ። ዓለምለኻዊ ውድብ ትምበያ ኩነታት ኣየር ግን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብሰንኪ ካርቦንዳይኦክሰይድ ኣብ ዝስዕብ ብከላ ዓቢ ለውጢ ከምዘይኣምጽአ እዩ ዝገልጽ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57333201"} {"headline":"ህንዲ፡ 'መራሒ ዝዓበየ ስድራ' ዓለም ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣቦ 36 ደቂ-ደቆም ርእዮም ሓሊፎም","content":"ኣብ ሃገረ ህንዲ ዝሰፍሐ ስድራ ከምዝመርሑ ዝእመነሎም ወዲ 76 ሽማግለ ዓሪፎም። እቶም ሽማግለ: ኣብ ህንዲ ሞሚዞራም እናተብሃለት ኣብ እትዕጽዋዕ ዓዲ ነባሪ ኮይኖም ትማሊ ሰንበት ከምዝዓረፉ ተገሊጹ። ዚዮና ቻና ይበሃሉ። ሰዓቢ ናይ ሓደ ብዙሓት ኣንስቲ ምምርዓው ዝፈቅድ ሃይማኖት እዮም ነይሮም። ኣቶ ቻና፡ 38 ኣንስቲ ዘእተዉ ኾይኖም፤ ኣቦ 89 ቆልዑ እዮም: 36 ደቂደቆም ሪኦም ድማ ሓሊፎም። ናይቶም ሽማግለ ምሟት ብሰብ መዚ እቲ ከባቢ ዝተረጋገጸ ኾይኑ፡ ኣማሓዳሪ እቲ ከባቢ ዝተሰመዖ ሓዘን ኣብ ትዊተሩ ኣስፊሩ። ጸቕጢ ደምን ሕማም ሽኮርን [ዲያቤትስ] ከምዝነበሮም: ክትትል ዝገብርሎም ዝነበሩ ሰብ ሞያ ሕክምና ገሊጾም። እቶም ሰብ ሞያ ሕክምና ከምዝብልዎ፡ ቻና ኣብ መንበሪ ገዘኦም እናሃለዉ እቲ ሕማም ሓይልዎም ከምዝቐነየን፡ ናብ ሕክምና ምስተወስዱ: ብዕለተ ሰንበት: ኣጋ ምሸት ዓሪፎም። ቻና፡ 'ኣብ ዓለምና እቲ ዝዓበየ ስድራ ዝመርሑ' ተባሂሎም ዝፍለጡ እንተኾኑ'ኳ፡ ካልኦት ክልተ ሰባት ድማ ናይ ዓለምና 'ዝዓበየ ስድራ መራሒ' ዝብል መዓርግ ክወሃቦም ሕቶ ዘቕርቡ ኣለዉ። ብርግጽ፡ ቻና ዝወለድዎም ደቆም ብዝሖም ብልክዕ 'ክንድዚ' ኢልካ ምግማት ከምዘይከኣል'ውን ይዝረብ። ቅድም ክብል፡ እቶም ሽማግለ ካብ 39 ኣንስቲ 94 ቆልዑ ምውላዶም ከምኡ'ውን 33 ደቂደቆም ምርኣዮም ተጸብጺቡ ነይሩ። እዚ ድማ፡ ንባዕሎምን ኣንስቶምን ሓዊሱ፡ ብዝሒ'ቲ ዓቢ ስድራ ብሓፈሻ 181 ምብጸሖም የመልክት። መራኸቢ ብዙሓን'ታ ሃገር፡ ነቶም ብሰንበት ዝዓረፉ ሽማግለ 'ኣብ ዓለምና ዝበዝሐ ቤተሰብ ዘለዎም መራሒ ስድራ' እናበሉ'ኳ እንተጸውዕዎም፡ እቲ ክብረ ወሰን ብመን ከምዝተትሓዘ ግን ንጹር ሓበሬታ ኣይተረኽበን። ቻናን ስድረኦምን፡ ናይ ብዙሓት ትኹረት ዝሰሓቡ እንትኾኑ፡ ናብቲ ዝነብርሉ ስፍራ ብዙሓት በጻሕቲ ክተሙ ይራኣዩ። ዘደንቕ ህይወት ቻና፡ ናይ ብዙሓት መራኸቢ ብዙሓን ርእሰ ጉዳይ ኮይኑ ክጽብጸብ ጸኒሑ እዩ። እዚ ሰፊሕ ስድራ፡ 100 ክፍልታት ኣብ ዘለዎ በዓል ኣርባዕተ ደርቢ ህንጻ እዩ ዝነብር። እተን ኣንስቶም ድማ፡ ኣብ ጥቓ ናቱ መደቀሲ ክፍሊ ብሓንሳብ እየን ዝነብራ ተባሂሉ። ብፍላይ እቲ እቶም ሽማግለን ኣንሽቶምን ዝነብርሉ መንበሪ ገዛ፡ ናይ ብዙሓት ኣጋይሽ ትኹረት ዝስሕብ እዩ። ሮይተርስ ከምዝጸብጸቦ፡ ቻና ኣብ 1945 እዮም ተወሊዶም። ኣብ 17 ዓመቶም ድማ፡ ብሰለስተ ዓመት እትበልጾም ፈላመይቲ መርዓት ኣእትዮም። ቻና ዝኽተልዎ ሃይማኖት 2000 ሰዓብቲ ዘለውዎ ኾይኑ፡ ኣብ 1942 ብኣቦሓጎኦም ዝተመስረተ ከምዝኾነ እዩ ዝዝረብ። እዚ 'ቻና ፓውል' እናተብሃለ ዝጽዋዕ እምነት፡ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ሓንቲ ንላዕሊ ሰበይቲ ክምርዓዉ ዘፍቅድ እዩ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57423825"} {"headline":"ኣብ ህንዲ ብሰንኪ ሓያል ዝናብ ብውሕዱ 110 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ","content":"ኣብ ምዕራባዊ ግዝኣት ህንዲ፡ ማሃራሽትራ፡ ብሰንኪ ሓያል ዝናብ ዝሰዓበ መሬት ምህማምን ዕልቕልቕን ብውሕዱ 110 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ። እቲ ዝናብ ብኣማኢቲ ዝቑጸሩ ቁሸታት ዘዕለቕለቐ ኾይኑ፡ ብዙሓት ገዛውቲ ብውሕጅ እንትውሰዱ፤ ብዙሓት ነበርቲ ድማ ካብ ዘለውዎ ከይንቀሳቐሱ ገይሩ ይርከብ። ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት፡ ካብቲ ሓደጋ ብህይወት ዝተረፉ ሰባት ካብቲ ዕልቕልቕ ንምውጻእ እናተጓየዩ ዝርከቡ ኾይኖም፡ ብዙሓት ሰባት ግን ዛጊድ ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን ተባሂሉ። ሰራዊት ህንዲ'ውን ነቲ ብኸቢድ ኩነታት እቲ ዝናብ ተኣጓጒሉ ዝነበረ ህይወት ናይ ምድሓን ስራሕቲ ይሕግዝ ኣሎ ተባሂሉ። እታ ግዝኣት፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዓ ዓመታት እቲ ዝሓየለ ዝናብ ሓምለ ኣመዝጊባ ተባሂሉ። ንሓደጋ እቲ ዕልቕልቕ ብዙሓት ምኽንያታት እንተቐረበ'ኳ፡ ብቐንዱ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዘስዐቦ ከምዝኾነ ተመራመርቲ ይዛረቡ። ትማሊ ዓርቢ ሰበ ስልጣን ህንዲ፡ ንኣብዝሓ ሞት ምኽንያት ዝኾነ፡ ነቲ ሓያል ዝናብ ስዒቡ ኣብ ክልተ ወረዳታት ዝተኸስተ ምህማም መሬትን ዕልቕልቕን ከምዝኾነ እዮም ተዛሪቦም። ንሳቶም፡ ወሲኾም ከምዝበልዎ፡ ካብ ማእኸል ንግዲ ህንዲ ዝኾነት ከተማ ሞምባይ፡ ብኣንፈት ሰሜን ምብራቕ እትርከብ ሓንቲ ንእሽተይ ቁሸት፡ ብሰንኪ ምህማም መሬት ስለዝተደፍነት፡ እንተወሓደ 38 ሰባት ከምዝሞቱ ይዛረቡ። ሚኒስተር እታ ግዝኣት ኡድሃቭ ታክሬይ ህጹጽ ኣኼባ ዝጸወዐ ኾይኑ፡ በቲ ሓደጋ ጉድኣት ንዝበጽሖም ሰባት ረድኤት ክወሃቦም ንሰበ ስልጣናት ሓቲቱ። ከምኡ'ውን፡ ሓለፍቲ መንግስቲ ንተመሳሳሊ ሓደጋ ዝተቓልዑ ሰባት ካብቲ ዝነብርሉ ከባቢ ኣብ ምግዕዓዝ ከምዝርከቡ'ውን ተዛሪቡ። ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ብወገኑ፡ ብቲ ሓደጋ ህይወቶም ንዝሓለፈ ዝተሰመዖ ሓዘን ዝገለጸ ኾይኑ፡ ጉድኣት ዝበጽሖም ድማ ኣድላይ ዘበለ ድጋፍ ከምዝግበረሎም ተዛሪቡ። መርከባት ህንድን ሰብ ስልጣናት ምቁጽጻር ሓደጋን፡ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ንዝወደቐ ሰባት ንምድሓን ናብ ገማግም ባሕሪ ባሕሪ ተጓዒዞም ተባሂሉ። ኣብ ሓንቲ ገምጋም ባሕሪ እትርከብ ወረዳ፡ መራኸብቲ ዓበይቲ ድልድላትን ስልኪ ዝፍነወሉ ዓቢ ማእኸልን ጉድኣት ስለዝበፅሖም፡ ምስቲ ካልእ ካፋል እቲ ግዝኣት ዘሎ ርክብ ተቛሪጹ ከምዘሎ ይዝረብ። በቲ ውሕጅ ጉድኣት ዝበጽሖም ሰባት፡ ብሆሊኮፕተር ተሓጊዞም ህይወት ንምድሓን ንዝነጥፉ ዘለዉ ናይ ሓደጋ ሰራሕተኛታት ክረአዩዎም ምእንታን ናብ ዝባን ህድማን በረኽቲ ከባብታት ክወጽኡ ሰብ ስልጣናት ሓቢሮም ኣለዉ። ኣብ ከተማ ሞምባይ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ሓደ መንበሪ ኣባይቲ ህንጻ ፈሪሱ፡ ክልተ ሰባት ዝሞቱ ኾይኖም፡ ዓሰርተ ሰባት ጉድኣት በጺሕዎም ተባሂሉ። ኣገልግሎት ባቡር ተቛሪጹ እዩ፤ ዓᎁቕ ዝኾነ ክፋል እታ ከተማ ድማ ብውሕጅ ተዕለቕሊቑ ተባሂሉ። ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ፡ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝወቅዕ ዘሎ ሓያል ዝናብ ንመጻኢ ገለ መዓልታት ክቕጽል ከምዝኽእል ተንቢሆም። ኣብ ሞምባይ ሓያል ዝናብ ከጋጥም ዝተለምደ እዩ። ብፍላይ ኣብዚ ናይ ዝናብ ወቕቲ ሓደጋ ዕልቕልቕ ብተደጋጋሚ ከምዘጋጥማ እዩ ዝዝረብ። ኣብ ቀረባ ዓመታት ግና፡ ብርተዐ እቲ ዝናብን እቲ ሓደጋን እናተጋደደ ምምጽኡ ይዝረብ። ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት፡ ንሸቕሊ ናብታ ከተማ ይተሙ እዮም ተባሂሉ። ብዚ ምኽንያትኀ፡ ብዙሓት እኹል ምቁጽጻር ከይተገብረሎም ኣብ ዝሰርሑ መንበሪ ኣባይቲ ክነብሩ ስለዝግዱ፡ ኣዝዮም ንሓደጋ ዝተሳጥሑ እዮም ተባሂሉ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57952758"} {"headline":"ኣርጀንቲና ካብ ክልቲኡ ጾታ ወጻኢ ንዝኾኑ ሰባት ሓድሽ መለለዪ መንነት ኣተኣታትያ","content":"ኣርጀንቲና ካብ ክልቲኡ ጾታ ወጻኢ ኢና ንዝብሉ ሰባት ዝግልገልሉ ሓድሽ መለለዪ መንነት ወግዓዊ ገይራ። ብመሰረት ሃገራዊ ሕጊ ኣርጀንቲናውያን ንባዕሎም ጾታ የብለይን ኢሎም ክጽውዑ መሰል ኣለዎም። ይኹን'ምበር እዚ ኣብ ፓስፖርትን ሃገራዊ መለለዪ መንነት [DNI] ክንጸባረቐሉ ዝኽእል መስርሕ ብዘይምንባሩ፡ ክሳብ ሕጂ \"ጓል ኣንስተይቲ\"፣ \"ወዲ ተባዕታይ\" ዝብል ምርጫ ጥራሕ ክቐርበሎም ጸኒሑ። ሕጂ እዚ ንምልዋጥ ዝኾነ ሓድሽ መለለዪ መንነት ክረክብ ዘመልክት ውልቀሰብ፤ እሞ ድማ ናይ ጾታ ምርጫ ዘይብሉ እንተኾይኑ ነቲ ጾትኡ \"x\" ዝብል ምልክት ከቐምጠሉ ዘኽእል መስርሕ ተመቻቺኡ ኣሎ። ፕረዚደንት ኣልቤትሮ ፈርናንዴዝ እዚ ሓድሽ ኣዋጅ ወግዓዊ ክገብር እንከሎ፡ ኣርጀንቲና ድማ ካብ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ኣቐዲማ ነዚ ሕጊ ዘተኣታተወት ሃገር ይገብራ። በዚ መሰረት ኣርጀንቲና ነተን ኣቐድም ኣቢለን ካብ ክልቲኡ ጾታ ወጻኢ ኢና ንዝብሉ ሰባት ዘገልግል ስርዓት ዘተኣታተዋ ሃገራት ካናዳ፣ ህንድን ኒውዝላንድን ተጸምቢራ ኣላ። ኣብቲ ኣብ ቦነስኣይረስ ዝተሳለጠ ስነ ስርዓት ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ሚኒስተር ደቂ ኣንስትዮ፣ ጾታን መንነትን ተረኺቦም'ዮም። ፕረዚደንት ኣልቤርቶ ፈርናንዴዝ ድማ \"ካብ ወዲ ተባዕታይን ጓል ኣንስተይትን ወጻኢ ዝኾኑ ካልኦት መንነት ስለ ዘለው ክኽበሩ ኣለዎም። ኩላትና ክንኮኖ ዝግባእ ካብ ምዃን ወጻኢ ብዛዕባ ናይ ካልኦት ሰባት ጾታ ክንጭነቕ የብልናን\" ኢሉ። እቲ ፕረዚደንት ካብ ዝምረጽ ካብ 2019 ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ሰጓሚ ማሕበራዊ ዕረያታት ክመጽኡ ክጉስጉስ ጸኒሑ'ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እቲ ዝመርሖ መንግስቲ ምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ ክገብር እንከሎ፡ ከም ውልቀሰብ ሰብ ከኣ ኣብታ ሃገር ፍልጥቲ ንግስቲ ሓሽሽን ተመሃሪት ቅዲ ክዳንን ንዝኾነት ጓሉ ኢስታኒስሎ ኣብ ኣደባባይ ናእድኡ ገሊጹላ'ዩ። ኣብዚ ዓመት ከኣ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣርጀንቲና ሕክምናዊ ቀረባት ንምሕጋዝ ብዝብል ኣብ ልዕሊ ሃፋትም ሓድሽ ስርዓት ግብሪ ተግባራዊ ክኸውን ገይራ'ያ። እቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ዝተኣወጀ መምርሒ ግብሪ ልዕሊ 2.3 ሚሊየን ዶላር ሃብቲ ዘለዎም ሰባት ኣብ ውሽጢ እቲ ሃገር ካብ ዘሎ ሃብቶም ሰለስተ ሚኢታዊት፡ ካብ ሃገር ወጻኢ ካብ ዘንቀሳቕሱዎ ድማ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚኢታዊት ግብሪ ንመንግስቲ ክኸፍሉ ዘገድድ'ዩ። እዚ ኣብ ኣስታት 12 ሽሕ ሰባት ተግባራዊ ክኸውንን መንግስቲ ሰለስተ ቢሊየን ዶላር ገንዘብ ክረክብ ክሕግዞን'ዩ ተባሂሉ ነይሩ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57914082"} {"headline":"ህንዲ፡ ሬሳ ግዳያት ኮሮናቫይረስ ዘዕለቕለቐ ቅዱስ ሩባ","content":"ኣብዘን ቀረባ መዓልታት ቅዱስ ሩባ ጋንጀስ፡ መአከቢ ሬሳ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት ኮይኑ ይርከብ። ኣማኢት ኣስክሬናት ኣብ ዝባን እቲ ሩባ ተንሳፊፎም ተረኺቦም፤ ኣብ ገምገም እቲ ሩባ ኣብ ዝርከብ ሓመድ ዝተቐበሩ'ውን ኣለው። ኣብ ጥቓ እዚ ሩባ ዝነብሩ ሰባት ከኣ፡ ካብቲ ማይ ምሕጻቦም ስለ ዘይተርፍ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ከይኾኑ ስግኣት ዓሲሉ ይርከብ። ህንዲ፡ ብካልኣይ ለብዒ ኮሮናቫይረስ ኣዝያ ተሃስያን ተንበርኪኻን እያ። ልዕሊ 25 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለው፡ 275 ሽሕ ሰባት ድማ ሞይቶም ኣለው። ሰብ ሞያ ግን፡ እቲ ሞት ልዕሊ እቲ ዝግለጽ ክኸውን ከም ዝኽእል ይዛረቡ። ኣብ ገምገም እቲ ሩባ ዝተረኸቡ ኣስክሬናት ተኣኪቦም ክቃጸሉ ተገይሩ ኣሎ። ብ10 ግንቦት 2021፡ 71 ኣስክሬናት ካውሳ ኣብ ዝተባህለት ገጠር ዓዲ ኣብ ዝርከብ ሩባ ተደርብዮም ተረኺቦም። ፖሊስ እቲ ከባቢ ኒራጅ ኩማር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ናይ ኣስክሬን መርመራ ከም ዝተገብረን ቅምሶታት ከም ዝተወስደን ክገልጽ እንከሎ፡ እቶም ኣስክሬናት ኣብ ገምገም እቲ ሩባ ከም ዝተቐበሩ ሓቢሩ። ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ኣብ ጥቓ ሩባ ስነ ስርዓት ምቅጻል ሬሳ ከም ዝፍጸም እኳ እንተገለጹ፡ እዞም ናይ ሕጂ ግን ተደርብዮም ክኾኑ ከም ዝኽሉ ይግምቱ። ካልእ ዘይተረኸበ ኣስክሬን ከይህሉ ድማ ፖሊስ ናብሪ ሩባ ስኪዔት ዘርጊሑ ይርከብ። ድሕሪ ሓደ መዓልቲ፡ ካብ ካውሳ 10 ኪሎ ሜትሮ ርሒቕ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ብዓስተርታት ዝቑጸር ኣስክሬን ኣብ ገምገም ሩባ ገጠር ጋህማር ተረኺቡ። እዚ ኣኽልብትን ኣሞራን ክብልዑ ጸኒሖም። ነበርቲ እቲ ከባቢ ንመዓልታት ኣብቲ ሩባ ከም ዝተደርቡ ንሰብ መዚ ቅርታ እንታቕረቡ'ውን እቲ ጉዳይ ኣብ ዜናታት ዓለም ክሳብ ዝቃላሕ እቶም ሰብ መዚ ቆላሕታ ከም ዘይገብርሉ ይዛረቡ። ኣብ ከተማታት ካናጅ፣ ካንፑርን ፕራያግራጅን እቲ ሩባ ብዙሕ መቓብር ተራእዩ። ኣስታት 50 ኣስክሬናት ተረኸዒቦም። ኣብ ህንዲ ሬሳ ምቅጻል ባህሊ'ዩ። ብዙሓት ኣባላት ማሕበረሰብ ሂንዱ ግን \"ጃል ፕራቫህ \" ዝተባህለ ልምዲ ይኽተሉ። እዚ ኣስክሬን ህጻናት፣ ዘይተመርዓዋ ደቂ ኣንስትዮ ወይ ድማ ብተመሃላለፍቲ ሕማማት ወይ ከኣ ተመን ነዲፉዎም ዝሞቱ ሰባት ኣብ ሩባ ክንሳፈፉ ምግባር እዩ። ብዙሓት ድኻታት ሰባት ኣስክሬን ንምቅጻል ዓቕሚ የብሎምን። ስለ ዝኾነ ድማ እቲ ኣስክሬን ብጻዕዳ ጨርቂ ጠቕሊሎም ናብ ማይ ይድርብዩዎ። ሓሓሊፉ እቲ ኣስክሬን ንክጥሕል ብእምኒ ይእሰር። እንተኾነ ክንድኡ ዝኣክል ክብደት ስለ ዘይህልዎ መብዛሕትኡ ግዜ ተንሳፊፉ'ዩ ዝቐሪ። ኣብ ካንፑር ዝርከብ ጋዜጠኛ ንቢቢሲ ከም ዝበሎ፡ እቶም ኣስክሬናት \"ኣብ ሞንጎ እቲ ዝግለጽ ቑጽሪ ምውዋት ለበዳ ኮቪድ-19ን እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ትክክለኛ ቑጽርን ፍልልይ ምህላዩ\" ዘረጋግጽ እዩ። ካብ 16 ሚያዚያ ክሳብ 5 ግንቦት ኣብ ዘሎ ጊዜ ኣብ ካንፑር 196 ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝሞቱ እኳ እንተተገለጸ፡ ካብ ሸውዓተ ሬዳ ዝነደደሎም ቦታታት ዝተረኽበ መረዳእታ ግን ኣስታት ሸሞንተ ሽሕ ሬሳ ከም ዝተቓጸለ ይሕብር። \"ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ሰሙን ሙሉእ 24 ሰዓታት ኣስክሬን ብኤሌክትሪክ ይቃጸል ነይሩ። ኣብዚ ሰሙን'ውን እቲ ምምሕዳር እቲ ምቅጻል ሬሳ ብዕንጸይቲ ንክፍጸም ኣፍቂዱ'ዩ\" ይብል። ወሲኹ \"ይኹን'ምበር ኣስክሬን እቶም ሰርተፊኬት ኮቪድ-19 ተዋሂቡዎም ካብ ሆስፒታል ዝመጽኡ ዝነበሩ ጥራሕ'ዮም ዝቕበሉ ነይሮም። ብዙሓት ሰባት ግን መርመራ ከይገበሩ ኣብ ገዝኦም ይሞቱ ነይሮም። ስድራቡት እዞም ግዳያት ከኣ ነቲ ኣስክሬን ካብታ ከተማ ውጽእ ናብ ዝበሉ ቦታታት ይወስዱዎም። ዕንጸይቲ ወይ ድማ ነቲ ሬሳ ዘቃጽልሉ ቦታ ክስድኑ ከለው ከኣ ኣብ ጥቓ እቲ ሩባ ቀቢሮምዎ ይኸዱ\" ክብል ኣረዲኡ። ኣብ ከተማ ፕራያግራጅ ዝርከብ ጋዜጠኛ ድማ፡ መብዛሕትኦም ኣስክሬናት ኣብ ገዝኦም ዝሞቱ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ወይ'ውን እቲ ሬሳ ናይ ምንዳድ ስነ ስርዓት ክፍጽሙ ዘይክእሉ ድኻ ስድራቤታት እዩ ኢሉ ከም ዝኣምን ተዛሪቡ። \"ልብኻ'ዩ ዝሰብር፤ ኩሎም እዚኦም ህጻናት፣ ኣቦታትን ኣዴታትን'ዮም ዝኾኑ። እንተውሓደ ምስ ሞቱ ቁሩብ ክብሪ ክረኽቡ ምተገብአ። ይኹን'ምበር ኣካል እቲ ቑጽሪ እኳ ኣይኮኑን፤ ከይተፈልጡ ሞይቶም . . . ከይተፈልጡ ዝተቐብሩ መሳኪን'ዮም\" ይብል። ሩባ ጋንጄስ፡ ኣብ ዓለም ካብ ዘለው ዓበይቲ ሩባታት ሓደ እዩ። ሂንዱ፡ እዚ ሩባ ቅዱስ ሩባ ኢሎም ስለ ዝኣምኑሉ፡ ኣብቲ ሩባ ምሕጻብ ካብ ሓጢኣትካ የጽሪ'ዩ ኢሎም ይኣምኑን እቲ ማይ ንሃይማኖታዊ ኣምልኾ ይቀምሉን። ኣብ ከተማ ካናጂ ዝነብር ወዲ 63 ዓመት ጃግሞሃን፡ ንማዕኸን ዜና እታ ሃገር ከም ዝበሎ ኣብ ጥቃ እቲ ሩባ \"ካብ 150 ክሳብ 200\" መቓብር ርእየ እየ ኢሉ። \"እቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ካብ ሰዓት ሓደ ናይ ንጉሆ ክሳብ ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ምሸት ይፍጸም ነይሩ። ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ\" ኢሉ። ምርካብ ናይዞም መቓብራት ኣብቲ ከባቢ ሓያል ስንባደ ፈጢሩ ኣሎ። ዝናብ ምስ ጀመረ ኣብቲ ከባቢ ዝተቐብሩ ኣስክሬናት ኣብቲ ሩባ ክንሳፈፉ ከም ዝኽእሉን መጠን እቲ ማይ ከም ዝውስኽን ስግኣቶም ይገልጹ። ኣብ ዝሓለፈ ሮቡዕ መንግስቲ ስነ ስርዓት \"ጃል ፕራቫህ\" ክኽልክ እንከ፡ ስነ ስርዓት ምቅጻል ሬሳ ንምፍጻም ዓቕሚ ንዘይብሎም ድኻታት ሓገዝ ገንዘብ ከም ዝህብን ገሊጹ ነይሩ። ኣብ ብዙሓት ቦታታት፡ ፖሊስ ካብ ጥቃ ሩባ ኣስክሬን ስሒቦም ከውጽኡ ቀንዮም።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57190908"} {"headline":"ቤት ፍርዲ ህንዲ፡ መንግስቲ ብኮቪድ-19 ንዝሞቱ ስድራታት ካሕሳ ክኸፍል ወሲኑ","content":"ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ህንዲ፡ መንግስቲ ብኮቪድ-19 ህይወቶም ንዝሰአኑ ስድራታት ካሕሳ ክከፍል ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ። ንሕድሕድ ግዳይ እቲ ለበዳ፡ 50 ሽሕ ሩፒ ወይ ከኣ 647 ዶላር ክከፍል እዩ እቲ ቤት ፍርዲ በይኑ ዘሎ። ኣብ ህንዲ ክሳብ ሕዚ ዕላዊ ብዝኮነ ሓበሬታ መሰረት 447 ሽሕ ሰባት ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ሞይቶም። እንተኾነ ብዝሒ መወትቲ መንግስቲ ካብ ዝብሎ ብዓሰርተ ዕጽፊ ክበልጽ ከም ዝኽእል ሰብ ሞያ ይዛረቡ። ሓላፊ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ህንዲ ኤምአር ሻህ ሰኝ ብሰኑይ \"ወራሲ ናይቲ መዋቲ ወይ ከኣ ናይ ቀረባ ዘመድ እቲ ካሕሳ ክቕበል ይኽእል እዩ\" ኢሉ። ኣባላት ስድራ ናይቲ መዋቲ ኣድላይ ዝኾነ መረዳእታ ሒዙ ንዝቐረበ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት እቲ ካሕሳ ካብ መንግስቲ ክረክብ ከም ዝክእል'ውን ወሲኹ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ጠበቓታትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ቤት ፍርዲ ኣብቲ ጉዳይ ክሳተፍን ብቲ ለበዳ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ስድርኦም ካሕሳ ክረኽቡ ኣለዎም ዝብል ፊርማ ኣተኣኻኺቦም ምንባሮም ይዝከር። ኣብቲ እዋን፡ ሓደ ነገር 'ሃገራዊ ሓደጋ' ተባሂሉ ምስ ተኣወጀ ኯይኑ ኣብዚ ከምዚ እዋን ህይወቶም ንዝስእኑ መንግስቲ ካሕሳ ናይ ምክፋል ግዴታ ኣለዎ ዝብል ዓንቐጽ ጠቒሶም እዮም ተማጒቶም። እቲ መምርሒ ከም ዝብሎ፡ ኣብ እዋን ሃገራዊ ሓደጋ ህይወቶም ንዘስእኑ ዜጋታት መንግስቲ ክሳብ 400 ሽሕ ሩፒ ክኸፍል ይግደድ። ሓደ ካብቶም ፊርማ ዘተኣኻኽቡ ዝነበሩ ጋወራቭ ባንሳል፡ \"መንግስቲ ነቲ ሕማም ንምክልኻል ልኡል ገንዘብ ከም ዘውጸአ ንፈልጥ ኢና። እንተኾነ በቲ መምርሒ መሰረት 400 ሽሕ ሩፒ ንግዳያት ክኸፍል ነይርዎ። ወይ ከኣ እቲ ዝለዓለ መጠን ንድኻ ማሕበረሰባት፤ እቲ ትሑት መጠን ድማ፡ ንሃብታማት ክኸፍል ምኸኣለ ነይሩ\" ኢሉ ። መንግስቲ ፌዴራል ከም ዝብሎ፡ ዝኾነ ስድራ እቲ ካሕሳ ክረክብ እቲ ግዳይ በቲ ለበዳ ከም ዝሞተ መረዳእታ ሒዙ እንተቐሪቡ ጥራይ እዩ። ነቲ ካሕሳ ክፍሊት ዝፍጽሙ ድማ፤ ናይተን ግዝኣታት ክልላዊ መንግስታት እየን። ኬራላን ራጃስታን ዝተብሃሉ ግዝኣታት ግን፡ እቲ ካሕሳ ምኽፋል ከቢድ ጽዕንቶ ከምዝጥረለን ብምሕባር፤ መንግስቲ ፌዴራል ክኸፍለለን ጠሪዐን ኣለዋ። ከምኡ ድማ፡ ገለ ሒደት ግዝኣታት ብፍላይ ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ግዳያት ስድራ፤ ክሳብ 100 ሽሕ ሩፒ ክኸፍሉ ከም ዝተዳለዉ ኣፍሊጠን። ዛጊድ 16 ኣባላት ስድራ እቲ ካሕሳ ከም ዝረኸቡ መራኸቢ ብዙሐን ጸብጺበን።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58717096"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ካብ ህንዲ ዝምለሱ ኣውስትራላውያን ክእሰሩ ከምዝኽእሉ ተገሊፁ","content":"ካብ ህንዲ ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ዜጋታት ኣውስትራልያ ክሳብ ናይ 5 ዓመታት ማእሰርትን ናይ ገንዘብ መቕጻዕትን ከጋጥሞም ከምዝኽእል ተገሊፁ። መንግስቲ ኣውስትራልያ ካብ ህንዲ ናብ ኣውስትራልያ ዝግበር ጉዕዞ ብግዝያውነት ዘይሕጋዊ ምዃኑ ምእዋጁ ስዒቡ እዩ፡ ዜጋታት ከምዝቕፅዑ ዝግለፅ ዘሎ። መንግስቲ እታ ሃገርን ነዚ ሓድሽ ሕጊ ዘውፅአ፡ ኣብ ህንዲ ቁፅሪ መልከፍትን ሞትን ኮሮናቫይረስ ብምዝያዱ እዩ። ኣውስትራልያ ኣብ መፈለምታ እዚ ሰሙን ፡ ካብ ህንዲ ዝግበሩ ኩሎም ናይ ነፈርቲ በረራታት ምእጋዳ ይፍለጥ። ኣስታት 9 ሽሕ ኣውስትራላውያን ኣብ ህንዲ ከምዘለዉ ይግመት፤ ካብዚኦም እቶም 600 ነዚ ቫይረስ ዝቃልዑ ከምዝኾኑ ይግለፅ። ዝኾነ ኣውስትራልያዊ ናብ ሃገሩ ቅድሚ ምምላሱ ቅድሚ 14 መዓልቲ ኣብ ህንዲ እንተኔሩ፡ ናብ ሃገሩ ክኣቱ ኣይፍቀደሉን። ንውሳነ መንግስቲ እታ ሃገር ስዒቡ ኣውስትራላውያን ናብ ሃገሮም ምምላሶም ከም ገበነኛታት ክቑፀሩ፡ እዚ ንፈለማ ግዘ ከምዝኾነ እየን መራኸብቲ ሓፋሽ ኣውስትራልያ ዝፅብፅባ ዘለዋ። በዓል ሞያ ጥዕና ዶክተር ቭዮም ሻርመር ንኤቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ካብ ህንዲ ዝምለሱ ኣውስትራላውያን ክወስዶ እየ ዝበሎ ስጉምቲ ዝመጣጠን ከምዘይኮነ ገሊፁ። “ስድራና ኣብ ወፃኢ ሃገር ኣብ ህንዲ ይሞቱ እዮም ዘለዉ፤ ንዕኦም ክነውፅአሉ መንገዲ የለን። እዚ ንዘይምሕጋዝ ሓላፍነትካ ምርሕራሕ እዩ” ኢሉ። ሚኒስትር ጥዕና ኣውስትራልያ፡ እዚ ሓድሽ ሕጊ ካብ ዝቕፅል ሰኑይ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኸውን ኣፍሊጡ። ነዚ ሓድሽ መምርሒ ዘይትግብሩ ድማ፡ ማእሰርቲ ሓሙሽተ ዓመት፣ 66 ሽሕ ዳላር ወይ ድማ ክልቲኡ ክቕፅዑ ከምዝኽእሉ ተገሊፁ። መንግስቲ እታ ሃገር ነዚ ሓድሽ መመርሒ ኣብ ዝቕፅል 15 ግንቦት ከምዝኽልሶ ይግለፅ። ኣብ ህንዲ ዛጊድ 19 ሚልየን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ኮይኖም፡ 200 ሽሕ ሰባት ከኣ ብሰንኪ እዚ ቫይረስ ሞይቶም እዮም። ካብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ድማ፡ ኣብታ ሃገር በብመዓልቱ ልዕሊ 300 ሽሕ ሓድሽ መልከፍቲ ይምዝገብ ኣሎ። ኣውስትራልያ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 2020 ወርሒ ለካቲት እቲ ለበዳ ካብ ዝጅምር ንነዘ እቲ ቫይረስ ንምግታእ፡ ተረርቲ መመርሕታት ክተተግብር ምፅንሓ ይፍለጥ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56955043"} {"headline":"ኮቪድ 19፡ ጆ ባይደን ናብ ኣመሪካ ንዝገሹ ዝምልከት ካብ 8 ሕዳር ተግባሪ ዝኸውን ሓዲሽ ሕጊ ኣውጺኡ","content":"ኣመሪካ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅምር ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ናይ በረራ እገዳ ንመጀመርታ ግዜ ንምልዓሉ ኣብ ዝወሰነትሉ፡ ብዛዕባ ናብ ኣመሪካ ክገሹ ዝደልዩ ወጻእተኛታት ዝምልከት ሓዲሽ ሕጊ ኣውጺኣ። ኣመሪካ ካብ ዝመጽእ ወርሒ ኣትሒዛ ዝኾና ናይ ወጻኢ ነፈርቲ ናብ ሃገራ ክኣትዋ እኳ እንተኣፍቐደት፡ ዘይተኸተበ ተሳፋሪ ናብ ኣመሪካ ክኣቱ ከምዘይፍቐዶ ገሊጻ። ኣመሪካ ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ፡ መብዛሕትአን ሃገራት ኣውሮጳ፡ ቻይናን ህንድን ዝርከብኣን ዓሰርተታት መንግዲ ኣየራት ናብ ሃገራ ከይኣትዋ ኣጊዳ ነይራ እያ፡ እንተኾነ ነቲ ተነቢሩ ዝነበረ እግዳ ካብ ዝመጽእ ወርሒ ጀሚራ ከተልዕሎ መደብ ኣለዋ። መንገዲ ኣየራት፡ እቲ ብኣመሪካ ዝተነበረ እገዳታት ንኽልዓል ንፕረዚደንት ጆ ባይደን ክምሕጸነኦ ጸኒሐን እየን። እገዳታት በረራ ኣብ እዋን ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ'ዩ ተነዲፉን ተግባራዊ ኮይኑን፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ጥሪ 2021 ናብ ስልጣን ፕረዚደንትን ምስ መጽአ ኸኣ ነቲ እግዳ ናይ በረራታት ከምዘለዎ ክቅጽል ወሲኑ። እቲ ሕጊ ካብ ብራዚል፣ ቻይና፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ብሪጣንያ፣ 26 ሃገራት ኣባላት ሸንገን፣ ኣየርላንድ፣ ህንድን ኢራንን ዝመጽኡ ገያሾ ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ዝኽልክል እዩ ነይሩ። እቲ ጆ ባይደን ትማሊ ሰኑይ ዝፈረመሉ ሓዲሽ ሕጊ፡ እተን መንገዲ ኣየራት ዝኾነ ካብዘን እገዳ ተነቢርወን ዝነበረ ሃገራት ዝብገሱ ገያሾ፡ ቅድሚ ናብ ነፋሪት ምስቃሎም ከምዝተኸተቡ ዝሕብር ወረቐት ከምዘለዎም ከረጋጋጻ ክግደዳ እየን። እቲ ሕገ ብምስዓብ፡ እተን መንገዲ ኣየራት እቲ ናይ ክታበት ወረቐት ካብ ወግዓዊ ኣካል ከምዝተውሃብ ከረጋገጽጻን፡ እቲ ምስክር ናይ ክታበት ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ቅድሚ በረራ ዝተውሃበ ምዃኑ ከጣልላን የገድድ። ኣመሪካ ነቲ ብሰብ መዚ ጥዕና ኣመሪካ ተቐባልነት ዘለዎ ክታበት'ያ ተቐባልነት ትህቦ። ዋላ ኣመሪካውያን ይኹኑ ዘይተኸተቡ ተጓዓዝቲ ቅድሚ መዓልቲ ምብጋሶም ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ዝተውሃቦም ካብ ኮቪድ 19 ነጻ መዃኖም ዝሕብር ወረቐት ክህልዎም ክግደዱ እዮም። ትሕቲ 18 ዕድሚኦም ክኽተቡ'ኳ ዘይግደዱ እንተኾኑ ካብ ኮቪድ ነጻ ምዃኖም ዝሕብር ወረቐት ክህልዎም ግን ናይ ግድን እዩ። እዚ ጆ ባይደን ፈሪምሉ ዘሎ ሓዲሽ ሕጊ ካብ 8 ሕዳር 2021 ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እዩ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59047117"} {"headline":"ኣብ ህንዲ ቁጽሪ ብኮሮቪድ ዝሞቱ ሰባት ካብ 300 ሽሕ ሰጊሩ","content":"ኣብታ ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣዝያ ተሃስያ ዘላ ህንዲ ቁጽሪ ምስቲ ቫይረስ ብዝተሓሓዝ ምኽንያት ዝሞቱ ሰባት 300,000 ከምዝሓለፈ ተፈሊጡ። ሰብሞያ ከምዝሕብርዎ ድማ ብዙሓት ዘጋጥሙ ሞት ይምዝገቡ ስለዘየለዉ እቲ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ካብቲ ዝግለጽ ዘሎ ኣዝዩ ዝለዓለ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኣብ ህንዲ 26 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ኮይኖም በዚ ምኽንያት ካብ ኣሜሪካ ቀጺላ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትስራዕ፤ ኣብዚ እዋን ከኣ እቲ ለብዒ ብስፍሓት ዝረኣየላ ሃገር ኮይና ትርከብ። ብብዝሒ ብሰንኪ እቲ ሕማም ዝሞቱ ድማ ካብ ኣሜሪካን ብራዚልን ቀጺላ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ትስራዕ። ካብቲ ዘጋጠመ ልዕሊ 300,000 ሞት ነቲ 100,000 ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ጊዜ ከምዘመዝገበቶ ተፈሊጡ’ሎ። ኣብቶም ዝሓለፉ ሰሙናት ዝተረኣየ ካልኣይ ማዕበል ለብዒ ኮሮናቫይረስ ንመሓውር ኣገልግሎት ጥዕና እታ ሃገር ዘናግዐ ኮይኑ፤ ሆስፒታላት ብብዝሒ ሕሙማት ኣዕለቕሊቐን ኣለዋ። ሕጽረት ኣገደስቲ ዝበሃሉ መድሓኒትን ኦክስጂንን ከኣ ከቢድ ፈተና ከምዝኾና ይግለጽ። ኣብ ቀረባ መዓልታት ምስ ሕክምና ኮቪድ ብዝተሓሓዝ ዘጋጥም ዘሎ ኣዝዩ ሓደገኛ ረኽሲ ፈንገስ ኣብ ርእሲ ዘጋጠምዎ ከበድቲ ጸገማት ተደራቢ ፈተና ኮይንዋ’ሎ። ኣብ ገለ ከባብታት እታ ሃገር ንሬሳታት መንደዲ ዝኸውን ቦታ ሕጽረት ስለዘጋጠመ እቲ መንደዲ ናብ ህዝባዊ መዘናዕዒ ቦታታት [‘ፐብሊክ ፓርክ’] ክሰፍሕ እናተገበረ’ዩ። ኣብ ህንዲ ዘጋጥም ሞት ናይ ምስናድ ድኽመት ስለዘሎ ብፍላይ ኣብዚ እዋን ኣብ መንበሪ ገዛ ዘጋጥም ዘሎ ሞት ይምዝገቡ የለዉን። ብፍላይ ኣብ ገጠራት። ጋዜጠኛታት እቲ ትኽክለኛ ብዝሒ ንምፍላጥ ነቶም ዝሞቱ ሰባት ክቖጽሩ ከምዝጀመሩ ክግለጽ ከሎ፤ ምናልባት ግን ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ገለ መረዳእታት የመልክቱ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57225803"} {"headline":"ጂንስ ስረ ተኸደንኪ ተባሂላ ዝተቐትለት ህንዳዊት","content":"ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ህንዲ፡ ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ኡታር ፕራዴሽ፡ ጓል 17 ዓመት ኔሃ ፓስዋን ዝተብሃለት መንእሰይ ‘ስለምንታይ ጂንስ ተኺዲንኪ?’ ብዝብል ብኣባላት ስድራኣ ተቐጥቂጣ ተቐቲላ። ኣዲኣ ሻኩንታላ ዴቪ ፓስዋን፡ ንቢቢሲ ህንዲ ከምዝተዛረበቶ፡ ምስ ኣከዳድናኣ ተዛሚዱ፡ ምስ ኣቦሓጎኣን ሓው ኣቦኣን ብዝተልዓለ ክትዕ ኣትያ፡ ተገሪፋ ህይወታ ክትሓልፍ ክኢላ ኢላ። “ምሉእ መዓልቲ ጾማ እያ ውዒላ። ንኣጋ ምሸቱ ድማ ጸሎት ኣብጺሓ። ኣቦሓጎታታ ግን ነቲ ኣከዳደናኣ ኣይፈተውዎን ነይሮም። ኔሃም፡ ‘ጂንስ ምኽዳን ምንም ማለት ኣይኮነን ክኽደን እየ’ ኢላቶም” ትብል። እቲ ክትዕ እንዳተጋደደ መጺኡ ክሳብ መውቃዕቲ በጺሑ -ኢላ። ኣዲኣ ሻኩንታላ ከምእትብሎ፡ ጓላ ውኒኣ ስሒታ ምስወደቐት ናይ ኣቦኣ ኣባላት ስድራ ባጃጅ ጸዊዖም ናብ ሆስፒታል ወሲዶምዋ። “ምስኦም ክኸይድ ኣይፈቐዱለይን፤ ንስድራይ ተዛሪበ ክእልሽዋ እንተኸዱ’ኳ፡ ክረኽብዋ ኣይከኣሉን” ኢላ። ንጽባሒትኡ ድማ፡ በቲ ከባቢ ኣብ ዝሓልፍ ሩባ ዘሎ ድልድል፡ ኣስከሬና ተንጠልጢሉ ተረኺቡ። ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ኣቦሐጎታታ፣ ሓውቦታታን ሓትነታታን ከምኡን’ውን ኣብ ልዕሊ እቲ በዓል ባጃጅ ናይ ቅትለትን መረዳእታ ምስዋርን ገበን ክሲ መስሪቱ ኣሎ። እንተኾነ ዛጊድ ካብቶም ተኸሰስቲ ዕላዊ መግለጺ ኣይተውሃበን። ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊስ ኃላፊ ሽሪያስ ከምዝበሎ፡ ምስቲ ገበን ብዝተኣሳሰር ኣርባዕተ ኣባላት ስድራ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም መርመራ ይካየደሎም ኣሎ። ፖሊስ ካልኦት ተወሰኽቲ ገበነኛታት ኣብ ምትእልላሽ ከምዝርከብ’ውን እቲ ሓላፊ ኣፍሊጡ። ኣቦ ኔሃ፡ አማርናት ፓስዋን በፑንጃብ፡ ሃነጺ [ነዳቒ] ኮይኑ፡ ብሓዘን ሞት ጓሉ ልቡ ከምዝቖሰለን፡ ዘለዎ ኣኻኺቡ ንዓኣ ከምህር ላዕልን ታሕትን ይብል ከምዝነበረን ተዛሪቡ። ኣዲኣ፡ ሻኩንታላ ዴቪ፡ ብወገና፡ ኔሃ ፖሊስ ናይ ምዃን ሕልሚ ከምዝነበራን፡ ‘ሕልማ ኣብ መንገዲ ከምዝተረፈን’ ተዛሪባ። ንሳ ከምእትብሎ፡ ስድራ ኣቦኣ፡ ኔሃ ትምህርታ ክተቋርጽ ይፈታተንዋ ከምዝነበሩን፡ ካብ ባህላዊ ኣከዳድና ህንዲ ወጻኢ እንተተኸዲና የዋርድዋን የሰራጥዩዋን ከምዝነበሩ ትዝክር። ኔሃ ግን፡ ዘበናዊ ክዳውንቲ ተኸዲና ምንቅስቓስ ከምእትፎቱ ትዛረብ። ኣባላት ስድራኣ፡ ንቢቢሲ ዝሃበዎ ክልተ ኣሳእል፡ ሓደ ብባህላዊ ነዊሕ ቀሚስ ተኸዲና ካልእ ድማ፡ ጂንስ ስረን ጂ9ንስ ጃኬትን ገይራ ትርአ። ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝበልዎ፡ ብምኽንያት ስርዓት ኣቦኣዊ (ፓትሪያርኪ) ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናታትን ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ልዑል እዩ። ኣብ ህንዲ ደቂ ኣንስትዮ ገና ኣብ ካብዲ ኣዲኣን እናሃለዋ ከይተወለዳ ናይ ምቕታል ዕድል ውን ከምዝበጽሐን ይዝረብ። ብዙሓት ስድራታት ህንዲ ወዲ ተባዕታይ ክወልዱ ስለዝደልዩ፡ ጓል ኣንሰተይቲ ኣብ ዝወልዳሉ እዋን’ውን ዝቕተላሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ ተባሂሉ። ኣብታ ሃገር፡ ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝፍጸሙ ጥቕዓታት እናተስፋፈሐ ዝመጽአ ምዃኑ’ውን ይዝረብ። ንኣብነት፡ ንገዝሚ እኹል ብዘይምኽፋለን ብማእከላይ መዓልታዊ 20 ደቂ ኣንስትዮ ከምዝቕተላ እዩ ዝዝረብ። ብፍላይ ኣብ ኣናእሽቱ ከተማታት ህንዲ፡ ደቂ ኣንስትዮ ህንድን፡ ንኡሳትን፡ በባህላዊ መራሕቲ ዓዲን በመራሕቲ ስድራን ልዑል ጸቕጢ ከምዝበጽሐን እዩ ዝዝረብ። ብዙሕ ግዜ፤ ብዛዕበ ዝኽደነኦ ኮነ ዝኸደኦ መገዲ ከይተረፈ ተሪር ትእዛዝ ከምዝወሃበንን፡ ንእሽቶ ጥፍኣት እንተሰሪሐን፡ ከቢድ መቕጻዕቲ ከምዝወርደን ይዝርብ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ካልእ መዋስንቲ ግዝኣት፡ ሓንቲ ጓል 20 ዓመት መንእሰይ ጓል ተነስተይቲ፡ ብኣቦኣን ካልኦት ደቂ ሓውኣቦኣን እንትትግረፍ ዘርኢ ተንቃሳቓሲ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሑ፤ ስንባደ ፈጢሩ ነይሩ። ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ገበነኛታት ክሲ መስሪቱ ከምዘሎ ይገልጽ። ኣብ ካልእ ግዝኣት ድማ ቅድም ክብል፡ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ፡ ምስ ወዲ ሓውኣቦአን ብስልኪ ብምዝርራበን ምኽንያት፡ ጭካነ ብዝተመልኦ መገዲ ከምዘተገርፋ ይዝረብ። እቶም ዝገረፉዋ፡ ወለዲ፣ ሓውቦታታን፣ ኣሕዋታን እንትኾኑ፡ እቲ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስ ዝተዘርገሐ፡ ፖሊስ ነቶም ገበነኛታት ኣብ ቀይዲ ኣውዒሉ ይርከብ። ብተመሳሳሊ ኣብ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ጉጅራት ኣብ ዝተብሃለ ግዝኣት፡ ክልተ ኣባጽሕ ብስልኪ ብምውገዐም ምኽንኣት ብ15 ኣባላት ስድራ ከምዝተገርፉ ጸብጻባት የመልክቱ። ተሓላቒት ጉዳያት ስርዓተ-ጾታ ዝኾነት፡ ሮሊ ሺቭሃር፡ ኣብ 21 ክፍለዘበን ደቂ ኣንስትዮ ጂንስ ስረ ስለዝገበራ ወይካ ኣ ብስልኪ ስለዘውገዓ ምግራፈን፡ ዘሕዝን እዩ ኢላ። ፖለቲከኛታት፣ መራሕትን ጽልዋ ፈጠርትን ድማ ‘ጾታዊነት’ ዘንፈባርቑ ርእይቶታት ክህቡ ይድመጹ ኢላ፤ ሓደ ካብቲ ሽግር ዘጋድድ ከምዝኾነ ብምግላጽ። መንግስቲ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ቀዳምነት ከምዝህብ እንተገለጸ’ኳ፡ ብጭቡጥ ግን ድሕነተን ውሕስ ንምግባር ዝገብሮ የለን ኢላ። ኣብ ህንዲ፡ መጥቃዕቲ ዝበጽሐን ደቂ ኣንስትዮ ዝዕቆባሎም ማእከላት ብሕማቕ ኣተሓሕዛ ዝፍለጡ ብምዃኖም ናብኡ ክትከይድ እትደሊ ጓል ኣንስተይቲ ከምዘየላ ትዛረብ። እቲ ቀንዲ ፍታሕ ግን፡ ደቂ ኣንስትዮ መሰራታዊ መሰለን ክፈልጣ ኣብ ግንዛበ ኣትሪርካ ምስራሕ ከምዘድሊ ትዛረብ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58046749"} {"headline":"ኣብ ህንዲ 'ሰልፊ' ዝስኣሉ ዝነበሩ 11 ሰባት ብሓደጋ በርቂ ሞይቶም","content":"ትማሊ ሰንበት ጃይፑር ኣብ ዝተብሃለት ሰሜናዊት ከተማ ህንዲ፡ ሰልፊ ዝሰኣሉ ንዝነበሩ ብውሕዱ 11 ብሓደጋ በርቂ ክሞቱ እንከለው ካልኦት ብዙሓት ድማ ቆሲሎም። እቶም በጻሕቲ ዓዲ፡ ስርሒት 12 ክፍለ ዘመን ኣብ ዝኾነ ሓደ ቀጥ ዝበለ ጥንታዊ መንደቕ ደወል [ታወር] ናብ ቅርቅርቲ ወጺኦም ባዕሎም ንባዕሎም [ሰልፊ] ይሰኣሉ ነይሮም። እቲ ዝነብርሉ ጥንታዊ መንደቕ ኣዝዩ ፍሉጥ ናይ መስሕብ ቦታ ምዃኑ እዩ ዝዝረብ። እቲ መብረቕ እንትወድቕ ኣብቲ ቅርቅርቲ እቲ ግምቢ 27 ሰባት ዝነበሩ ኾይኖም፡ ገሊኦም ካብ ላዕሊ ናብ መሬት ዘሊሎም ተባሂሎም። ኣብ ህንዲ፡ ካብ 2004 ጀሚሩ መብረቕ ዓመታዊ ብማእከላይ ገምጋም 2 ሽሕ ሰባት ክቐትል ይስትውዓል። ሓደ ሓለፊ ፖሊስ ንመራኸቢ ብዙሓን ከምዝበሎ፡ ኣብቲ ቀጽሪ ናይ መስሕብ ቦታ፡ እዚ ነዊሕ መንደቕ ኣዝዩ ዝፍቶን ዝድነቕን ኮይኑ፡ ካብቶም ዝሞቱ ኣብዝሓ መናእሰይ ምዃኖም ወሲኹ ተዛሪቡ። ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ሰንበት ኣብ ካልእ ቦታ እታ ግዝኣት፡ 9 ሰባት ብመብረቕ ከምዝተቐትሉ'ውን ተሓቢሩ። ሓላፊ እታ ግዝኣት ኣሾክ ገህሎት፡ ንሕድሕድ ስድራ ግዳያት 6,700 ዶላር ካሕሳ ከምዝኽፈሎም ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ ህንዲ ሓያል ዝናብ ዝወቕዐሉ እዋን፡ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ክሳብ መስከረም ይጸንሕ። ክፍሊ ሜትሮሎጂ ህንዲ፡ ምስ 1960ታት ብምንጽጻር ኣብዚ እዋን ኣብታ ሃገር ዘጓንፍ ብዝሒ ሐደጋታት መብረቕ ዕጽፊ ኮይኑ ከምዘሎን እዚ ድማ ውጽኢት ቅልውላው ለውጢ ኩነታት ኣየር ምዃኑን ይሕብር። ብኡ ልክዕ'ውን ብፍላይ 1990ታት ንመብረቕ ስዒቡ ዝመጽእ ሓደጋ ሞት ብ 30%-40% ከም ዝወሰኸ እቲ መረዳእታ የረድእ። ኣብ 2018 ሓንቲ ደቡባዊት ከተማ ህንዲ [ኣንድራ ፕራድሽ] ጥራይ፡ ኣብ 13 ሰዓታት ብ36,749 ሓደጋታት መብረቕ ከምዝተሃርመት ተመዝጊቡ። እቲ መብረቕ ብኣግራብ ኣብ ዘይተሸፈነ ኣዝዩ ብበዝሒ ከምዝረአ ድማ ሰብ መዚ እታ ሃገር ይዛረቡ። [እዚ ማእዳታት ምክልኻል ሓደጋታት ካብ ሮያል ሶሳይቲ ዝረኽበ እዩ] ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57794558"} {"headline":"ህንዲ፡ ልዕሊ 40 ሬሳታት ኣብ ገማግም ሩባ ጋንጀስ ተረኸቡ","content":"ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ህንዲ ኣብ ዝርከብ ፈለግ ጋንጀስ ብውሕዱ 40 ሬሳታት ካብቲ ሩባ ተገፊዑ ከም ዝተረኸበ ሰብ መዚ ህንዲ ሓቢሮም። እቲ ሬሳታት ኣብቲ ንዞባታት ቢሃረን ኤታ ፓራዲሽን ዘዳውብ ቦታ'ዩ ተረኺቡ። ወኪል ቢቢሲ'ውን ናብቲ ቦታ ብምኻድ ነቲ ሬሳታት ብምርኣይ ክምስክር ክኢሉ እዩ። እቲ ሬሳታት ከመይ ኢሉ ናብቲ ቦታ ከም ዝመጽአ ይጻረ እኳ እንተሎ፡ ማዕከናት እታ ሃገር ግን እቲ ሬሳ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት ክኸውን ከም ዝኽእል'የን ገሚተን። ገለ ማዕከናት ዜና፡ ብዝሒ ናይቲ ኣብቲ ሩባ ዝተረኸበ ሬሳታት ክሳብ 100 ከም ዝበጽሕ ከቃልሓ እንከለዋ፡ ኩነታት ናይቲ ሬሳ ብምርኣይ፡ እቲ ሬሳታት ኣብቲ ሩባ ነዊሕ መዓልታት ጸኒሑ ክኸውን ከም ዝኽእል ግምተን ኣስፊረን ኣለዋ። ኣሽኮር ኩማር ዝተባህለ ብዓል መዚ ዞባ ቢሃረ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ እንከሎ \"እቲ ሬሳታት ካብ ዞባ ኡታር ፓራደሽ ዝመጽአ'ዩ ክኸውን ዝኽእል\" ኢሉ። ንሱ ብምስዓብ እቲ ሬሳታት ክቕበር ወይ ክቃጸል ከም ዝኽእል'ውን ሓቢሩ። ገለ ሰብ መዚ፡ እቲ ሬሳታት ገሊኡ ተነፊሑ ገሊኡ ኸኣ ብኸፊል ነዲዱ ከም ዝጸንሐ ንማዕከን ዜና ኤንዲቲቪ ብምሕባር፡ ኣብ ዞባ ኡታህ ፕራደሽ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ኣተንቢሆም። ገለ ነበርትን ጋዜጤኛታትን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣብ ህንዲ መንደዲ ሬሳ ዝኸውን ዕንጨይቲ ከም ዝኸበረን፡ ንስነ-ስርዓት ቀብሪ ዝወጽእ ወጻኢታት ልዕሊ ዓቕን ከም ዝኾነን ተዛሪቦም። በዚ ምኽንያት፡ ትሑት ኣታዊታት ዘለዎም ስድራ ነቶም ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ መቕርቦን ኣማራጺ ስለ ዘይብሎም ናብ ውሓዚ ከም ዝድርብይዎም ትዕዝብቶም ኣካፊሎም። ሓደ ቻንድራ ሞሃን ዝተባህለ ነባሪ እቲ ኸባቢ \"ውልቂ ሆስፒታላት ገንዘብ ሰብ'የን ዝብዝብዛ ዘለዋ፤ እቲ ማእከላይ ኣታዊ ዘለዎ ሰብ ንካህንን ንስነስርዓት ቀብርን ዝኸውን ገንዘብ'ውን ኣይገድፋሉን። ሬሳ ካብ ኣምቡላንስ ንኸውርዱልካ ጥራይ 2000 ሩፒ (27 ዶላር) ይሓታቱኻ፤ እቲ ጥራይ ጅቡኡ ዝተረፈ ሰብ ኸኣ ከይፈተወ ሬሳ መቕርቡ ኣብ ሩባ ክድርቢ ይግደድ ኣሎ\" ኢሉ። ዞባ ኡታር ፕራደሽ ኣብ ህንዲ ካብ ዝርከባ ዞባታት እታ ዝበዝሐ ሰብ ዝነብራ ዞባ እያ። ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንመላእ ህንዲ ይሓቑና'ዩ ዘሎ። ዝበዝሓ መካነ መቃብራት ህንዲ ሒዘንኦ ዝነበራ ቦታታት ብሓደሽቲ መቓብራት መሊኡ ሕጽረት ቦታታት ኣጋጢምወን ከም ዘሎ'ዩ ዝሕብር። ኣብ ህንዲ፡ ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 22.6 ሰባት ብኮሮናቫረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ 246,116 ከኣ ምስ ኮቪድ-19 ብዝተሓሓዝ ሕማማት ከም ዝሞቱ ጆንስ ሆፕኪንስ ዩኒቨርስቲ ይሕብር። ክኢላታት ጥዕና ግን እቲ ሞት ካብዚ ተገሊጹ ዘሎ ዝተዓጻጸፈ ክኸውን ከም ዝክእል እዮም ዝሕብሩ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57067632"} {"headline":"ንበዓልቲ ቤቱ ብመርዛም ተመን ኣንኪሱ ዝቐተለ ሰብኣይ ንሕልፈት ተፈሪዱ","content":"ቤት ፍርዲ ህንዲ፡ ንበዓልቲ ቤቱ 'ኮብራ' ብዝብል ዝፍለጥ ኣዝዩ መርዛም ተመን ኣንኪሱ ዝቐተለ ሰብኣይ ክልተ ግዜ ብናይ ሕልፈት ማእሰርቲ ክቕጻዕ በይንሉ። ሱራጅ ኩማር ዝተባሃለ ሰብኣይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት በዓልቲ ቤቱ በቲ መርዛም ተመን ተነኺሳ ምስ ሞተት'ዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። ፖሊስ ህንዲ፡ እቲ ሰብኣይ፡ \"ወለድኺ ዘይጠቅም ገዝሚ ሂቦም ኣፋንዮምኒ\" እናበለ ብቐጻሊ የሳቕያ ከምዝነበረ ምስ ፈለጠ ኣብ ልዕሊኡ ምጽራይ ዝጀመሩ። ነቲ ተግባር ከመይ ፈጺምዎ? በዓልቲ ቤቱ ኣብ ዓራታ ደቂሳ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ነቲ ካብ በረኻ ዘምጽኦ ኮብራ ብትሕቲ ኮበርታኣ ብምእታው ኣንኩሱ ከምዝቐተላ ቤት ፍርዲ ኣረጋጊጹ'ሎ። ብሰኑይ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ ድማ ገበነኛ ኢልዎ። ጓል 25 ዓመት በዓልቲ ቤቱ ኣብ ወርሒ ግንቦት'ያ ኣብ ውሽጢ ገዝኣ ሞይታ ተረኺባ። ቅድሚ በዓልቤታ ነቲ ተግባር ምፍጻሙ፡ ብኻልእ 'ቫይፐር' ዝበሃል ዓይነት ተመን ተነኺሳ ብምንባራ መንቀሊ ሞታ ንሱ ክኸውን ከምዝኽእል ስድርኣ ጥርጢሮም ነይሮም። እንተኾነ፡ ካብቲ ቀዳማይ መንከስቲ ተመን ትሓዊ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብሽርሒ በዓል ቤታ ንኻልኣይ ጊዜ ብሓደገኛ ተመን ተመሪዛ ከምዝሞተት ተረጋጊጹ'ሎ። ሱራጅ ዝፈጸሞ ቅትለት ኣብ ህንዲ ብዓይነቱ ኣዝዩ ፍሉይን ጭካነ ዝመልኦን ምዃኑ ዝገለጹ እቶም ደያኑ፡ በዚ ምኽንያት ብኽልተ ናይ ሕልፈት ማእሰርቲ ክቕጻዕን ንስድራ ግዳይ ፍርቂ ሚልዮን ሩፒስ (6,635 ዶላር) ክኽሕስ ብይን ሂቦም። እቲ ክሱስ ብሞት ክቕጻዕ ክምጉት ዝጸንሐ ኣኽባር ሕጊ ግን፡ በቲ ውሳነ ናይ ቤት-ፍርዲ ፈጺሙ ዕጉብ ከምዘይኮነ ገሊጹ። ፖሊስ ህንዲ፡ ሱራጅ ነቲ ኮብራ ካብ በረኻ ማእሪሩ ናብ ገዝኡ ኣብ ምምጻእ ንዝተሐባበሮ ውልቀ-ሰብ'ውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩዎ'ሎ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58911626"} {"headline":"ህንዲ፡ ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብ ብውሕዱ 24 ሰባት ሞይቶም ዓሰርተታት ሃለዋቶም ጠፊኡ","content":"ኣብ ደቡብ ህንዲ ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብ ኣፍለጋት ብምምልኦም ብዝተፈጠረ ብርቱዕ ውሑጅን ምህማም መሬትን ብውሕዱ 26 ሰባት ሞይቶም። ካብ ሞንጎ እቶም ዝሞቱ 5 ህጻናት ምዃኖምን፡ እቲ ዝናብ ይቕጽል ስለዘሎን ዝጠፍኡ ሰባት ብምህላዎምን ቁጽሪ ምውታት ክውስኽ ከምዝኽእል ተገሊጹ። እቲ ኣብ ዞባ ካራላ ዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናብ ካብን ናብን ከተማታትን ገጠራትን ዘራኽብ መስመራት መጓዓዝያ ምሉእ ንምሉእ ኣቋሪጽዎ ይርከብ። 13 ሬሳታት ኣብ ካታንያም 8 ሬሳታት ኸኣ ኣብ ኢንዱኪ ዝብሃላ ኣዝየን ዝተሃስያ ወረዳታት ዞባ ካራላ ተረኺቡ። ሚኒስተር ኣታዊታት ዞባ ኣራላ ራጃን ንቢቢሲ ሂንዲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ \"ትሽዓተ ሃለዋቶም ዘይተፈለጠ ሰባት ኣለዉ፡ ንዕኦም ንምርካብ ኸአ ኩለን ጉጅለታታን ኣብ ምድላይ እየን ዘለዋ\" ኢሉ። ኣብ ኢዱኩ ዝርከባ ጉጅለታት ህይወት ኣድሕን ብሰንበት ተወሰኽቲ 4 ሬሳታት ከምዝረኸባ ክገልጻ እንከለዋ፡ ኣብታ ወረዳ ብዝሒ ምውታት ናብ 8 ክብ ኢሉ ኣሎ። ሓላፊ ኣሃዱ ህይወት ኣድሕን ወረዳ ኢዲኩ ሸባ ጆርጅ ንቢቢሲ ሂንዱ ኣብ ዝሃቦ ቃል \"ሓሙሽተ ሃለዋቶም ዘይተፈለጠ ሰባት ኣለዉ፡ እቲ ጠፊአምሉ ዝተብሃለ ቦታ ጭቃን ታኬላን ስለዝኾነ ብህይወት ናይ ምርከቦም ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ'ዩ\" ኢሉ። እቲ ኣብ ዞባ ካራል ንመዓልታት ዝሃረመ ዝናብ፡ ሓደጋታት ምህማምን ምንሽርታትን መሬት ከኸትል እንከሎ ኣብቲ ስራሕ ህይወት ኣድሕን መንግስቲ ሰራዊት ኣዋፊሩ ኣሎ። ብውሑጅ ንዝተኸበቡን መስመር ናይ ጽርግያ ንዝተበተኾምን ብሄሊኮፕተራት ናብ ውሑስ ቦታ ይሰግሩ ከምዘለዉ ሰብ መዚ ህንዲ ብሰንበት ገሊጾም። ቀዳማይ ሚኒስተር ናረንድራ ሞዲ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ \"ኣብ ዞባ ካራላ ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብ ብዙሕ ሰብ ምማቱ ኣዝዩ ዘሕዝን፡ ንኹሎም ስድራ ግዳያት ጽንዓት ይሃብ\" ኢሉ። ሰብ መዚ ህንዲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ነበርቲ ከተማ ኣለፒ ኣብ ዓቢ ሻቕሎት ከምዝርከቡ ገሊጾም። ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ብዓል መዚ ምስ ቢቢሲ ሂንዱ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት \"ከተማ ኣለፒ ብማይ ዝተኸበበት ከተማ እያ፡ ሕጂ ግን እቲ መጠን ዝናብ ይንኪ ስለዘሎ ብመጠኑ እቲ ሳቕሎት'ውን ዝነከየ ይመስል\" ኢሉ። ብሰንኪ እዚ ብርቱዕ ዝናብ፡ ወዲ 75 ዓመት ሽማግለን ሰለስተ ህጻናትን ዝርከብዎም፡ ሽዱሽተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ከምዝሞቱ መደበር ዜና ፒቲኣይ ገሊጻ። ኣብታ ሓሙሸት ሰባት ሃለዋቶም ጠፊኡ ዘሎ ወረዳ ኢዱኪ፡ ሬሳ ኣርባዕተ፡ ሸውዓትን ሸሞንተን ዕድሚኦም ሰለስተ ህጻናት ከምዝተረኸበ ተገሊጹ። ኣብ 2018 ኣብ ዞባ ካራላ ብዝሃረመ ብርቱዕ ዝናብ 400 ሰባት ምማቶምን እንከለዉ ልዕሎ ሓደ ሜልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ምፍንቃሎምን ዝዝከር እዩ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58950900"} {"headline":"ክታበታት ፒፋይዘርን ኣስትራዘኔካን ዓሌት ኮሮናቫይረስ ህንዲ ኣብ ምክልኻል ውጽኢታዊ ተባሂሎም","content":"ክልተ ዙር ክታበታት ፒፋይዘርን ኣሰትራዘኔካን፡ ኣንጻር ዓሌት ኮሮናቫይረስ ህንዲ ውጽኢታዊ ከምዝኾኑ መጽናዕቲ ሓቢሩ። ብኡ መሰረት፡ ክልተ ብልቃጥ እዞም ክታበታት፡ ክንድቲ ኬንት ንዝተባህለ ዓሌት ዝከላኸልዎ፡ ነቲ ኣብ ህንዲ ዝተረኸበ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ምክልኻል ይኽእሉ እዮም። ኮይኑ ግና ሰለስተ ሰሙናት ድሕሪ ፈላማይ ዙር ክታበት፡ ክልቲኦም ክታበታት 33 ምኢታዊት እቲ ሓድሽ ዓሌት ህንዲ ጥራሕ እዮም ምክልኻል ዝኽእሉ ነይሮም። እዚ ድማ ምስቲ 50 ምኢታዊት ንዓሌት ኬንት ናይ ምክልኻል ዘለዎም ዓቕሚ እንትነጻጸር ዝነኣሰ እዩ። ነቲ መጽናዕቲ ዘካይድ ዘሎ ጉዳይ ጥዕና እንግሊዝ፡ እቶም ክታበታት ቁጽሪ ናብ ሆስፒታል ዝኣትዉን ዝሞቱን ሰባት ናይ ምጉዳል ተኽእሎ ከምዝህልዎም እውን ገሊጹ፡፡ እቲ ውጽኢት ምርምር ነቲ መንግስቲ እንግሊዝ ካብ 21 ሰነ ጀሚሩ ናይ መወዳእታ ደረጃ ዕጽዋ ንምፍኳስ ዝሓዞ መደብ እምት ከምዘሕደረሉ ዝገለጸ ጸሓፊ ጉዳይ ጥዕና ማት ሃንኮክ ፡ ክልቲኡ ዙር እቶም ክታበታት ምውሳድ ጠቓሚ ከምዝኾነ እቲ መረዳእታ ከምዘመልክት ጠቒሱ፡፡ ድሕሪ ካልኣይ ዙር ክታበት፡ ኣብ ክልተ ሰሙን፡ ክታበት ፒፋይዘር ምልክታት ዘለዎ ዓሌት ሕማም ኮሮናቫይረስ ህንዲ ናይ ምክልኻል ዓቕሙ 88 ምኢታዊት ኮይኑ ዝተረኸበ እንተኾን፡ ንዓሌት ኬንት ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ግን 93 ምኢታዊት እዩ፡፡ ክታበት ኣስትራዘኔካ ብተመሳሳሊ ነቲ ዓሌት ህንዲ ኣብ ምክልኻል 60 ምኢታዊት ውጽታዊ እንትኾን ንዓሌት ኬንት ኣብ ምክልኻል ድማ 66 ምኢታዊት ውጽኢታዊ እዩ፡፡ እቲ ኣብ ውጽኢታውነት እዞም ክታበታት ዘሎ ኣፈላላይ፡ ካልኣይ ዙር ክታበት ኣስትራ ዘኔካ ካብ ፒፋይዘር ደንጉዩ ስለዝተውሃበ ከምዝኾነ ጉዳይ ጥዕና እንግሊዝ ኣፍሊጡ፡፡ ሰብሞያ ድማ ‘‘ካልኣይ ዙር ክታበትኩም ውሰዱ’’ ብምባል ይምዕዱ","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57218817"} {"headline":"ጂተንደር ማን ጎጊ፡ ህንዳዊ ወሮበላ ኣብ ቤት-ፍርዲ ብዝተተኮሰ ጥይት ተቐቲሉ","content":"ዕሉል ህንዳዊ ወሮበላ፡ ኣብ ከተማ ደልሂ ናብ ቤት-ፍርዲ ጠበቓታት መሲሎም ብዝቐረቡ ክልተ ውልቀሰባት ብዝተኮስዎ ጥይት ተቐቲሉ። እቲ ጂተንደር ማን ጎጊ ዝበሃል ዕሉል ወረበላ፡ ኣብ ቤት-ፍርዲ ሮሂኒ ዝቐረበሉ ክሲ እናተኸታተለ ከሎ'ዩ፡ እቶም ክልተ ውልቀሰባት ኣብ ልዕሊኡ ተኹሲ ከፊቶም። ፖሊስ ሽዑ ንሽዑ ነቶም ክልተ ውልቀሰባት ተኲሱ ከምዝቐተሎም፡ ሰብመዚ እታ ሃገር ገሊፆም። ፖሊስ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብመናሓንሕቲ ጉጅለ ዝተወሃሃደ ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሩ። እቲ ቀንዲ ተደላይ ተባሂሉ ኣብ መዝገብ ፖሊስ ደልሂ ሰፊሩ ዝነበረ ጎጊ፡ ኣብ ካልኦት ግዝኣታት ድማ ብቅትለት፣ ጭውያን ምትላልን ሓዊሱ ብዓሰርተታት ዝቑፀሩ ገበናት ተኸሲሱ ኔሩ። እዚ ፍፃመ፡ ኣብ መሓውር ፀጥታ ኣብያተ-ፍርዲ ደልሂ ሕቶ ኣልዒሉ ኣሎ። ሓደ ላዕለዋይ ፖለቲከኛ እታ ሃገር፡ እዚ ፍፃመ ኣብ ትልሚ ሓለዋ ፀጥታ ረዚን ውድቀት ከምዘሎ ዘርእይ እዩ ኢሉ። ጎጊ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ብቅትለትን ገንዘብ ንምርካብ ብምፍርራሕን ብዝብል ክሲ'ዩ ተኣሲሩ። ሰብመዚ እታ ሃገር፡ ጎጊ፡ ኣብ ገበን ዓለም ብቕልጡፍ ብምግናኑ፡ ብብዙሓት መነሓንሕቲ ጉጅለታት ዒላማ ኮይኑ ከምዝነበረ ገሊፆም። ጂተንደር ማን ጎጊ፡ ገና መንእሰይ እንከሎ'ዩ፡ መኪና ብሓይሊ ብምስራቕን ብሌብነትን፡ ናይ ገበን ስርሑ ኣሃዱ ኢሉ ዝጀመረ። ደሓር ግና፡ ኣብ ግዝኣት ሃርያና ንዝተፈፀመ ቅትለት ህቡብ ድምፃዊ ሓዊሱ፡ ኣብ ቅትለት ፍሉጣት ሰባት ቀንዲ ተጠርጣሪ ኮይኑ ኔሩ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58659310"} {"headline":"ዋትስኣፕ ህንዲ ዘውጽኣቶ ሓድሽ ሕጊ ብሕትና ኣመልኪቱ ክሲ መስሪቱ","content":"ዋትስኣፕ ህንዲ ዘውጽኣቶ ሓድሽ ሕጊ ብሕትና ኣመልኪቱ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ህንዲ ክሲ መስሪቱ። እቲ ሓድሽ ዲጂታዊ ሕጊ፡ ንፖሊሲ ብሕትና ኣገልግሎት ዋትስኣፕ ዝግህስ እዩ። ዋትስኣፕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንምንጪ ናይ ጽሑፍ ምልእኣኻት ንምክትታል ዝጠልብ ሕጊ ዳርጋ \"ናይ ነፍሲ ወከፍ መልእኽቲ ኣሰር ኣጻብዕ ከም ምሓዝ\" ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ ወርሒ ለካቲት መንግስቲ ህንዲ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርጋሕ ሓበሬታ ንምቁጽጻር ሓድሽ መምርሒታት ኣተኣታትዩ እዩ። ከባቢ 400 ሚልዮን ተጠቀምቲ ዋትስኣፕ ዘለዋ ህንዲ ዝበዝሑ ተጠቀምቲ እቲ መተግበሪ ዝርከቡላ ሃገር እያ። መንግስቲ ንማሕበራዊ መራኸቢታት ኣመልኪቱ ዘውጽኦ መምርሒ፡ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ንምልእኣኽ ዘኽእሉ መተግበሪታት \"ንመሰረታዊ ለኣኺ እቲ ሓበሬታ ግልጺ ክገብሩ\" ይጠልብ። ዋትስኣፕ እቲ ሓድሽ መምርሒ ሕገ መንግስታዊ ኣይኮነን ብምባል እዩ ጥርዓኑ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ደልሂ ኣቕሪቡ። ኣፈኛ ዋትስኣፕ ብጽሑፍ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ሕጊ \"ንሚስጥር ለኣኽን ተቐባልን ዘፍርስን፡ ንመሰረታዊ መሰል ብሕትና ሰባት ዘነኣእስን\" እዩ ኢሉ። ወሲኹ'ውን \"ብሕትና ዓማዊልና ክጥሕሱ ንዝኽእሉ ጠለባት ብምቅዋም ኣብ ዙርያ ዓለም ምስ ዝርከቡ ሲቪል ማሕበረሰባትን ክኢላታትን ክንሰርሕ ጸኒሕና ኢና። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግብራውን ውሑስን ዝኾነ መፍትሒ ንምምጻእ ምስ መንግስቲ ህንዲ ክንሰርሕ ኢና\" ኢሉ። ብመሰረት ሓበሬታ ዋትስኣፕ፡ ኣሰር ናይ ጽሑፍ መልእኽትታት ምክትታል ናይ ውልቂ ኩባንያታት ነቲ መዓልታዊ ዝስደድ ብቢልዮናት ዝቑጸር መልእኽትታት ክዓቑራን ንትካላት ኣኽበርቲ ሕጊ ከረክባን ከኽእል እዩ። ብዘይካ'ዚ ሰባት ብዙሕ ግዘ ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ መራኸቢታትን መርበባት ሓበሬታን ዝረኸብዎ ሓበሬታ ቀዲሖም ስለ ዝልጥፉዎ፡ ንምንጪ እቲ ሓበሬታ ብልክዕ ምርግጋጽ ዘይከኣል ምዃኑ ብምሕባር ዓመጽ ከስዕብ ከም ዝኽእል ገሊጹ። መንግስቲ ህንዲ 25 ለካቲት ዘውጽኦ መምርሒ፡ ናይ መርበባት ማሕበራዊ መራኸብን ናይ ቪድዮ ስትሪም መድረኻትን፡ ሰብ መዚ ክኣልዩዎ ንዝጠለብዎ ትሕዝቶ ኣብ ውሽጢ 36 ሰዓታት ክድምስስዎ ይጠልብ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57265070"} {"headline":"ባንክታት ኢትዮጵያ ነዋሕቲ ህንጻታት ብምህናጽ እንታይ ይርብሑ?","content":"እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ምድሪ ልዕል ኢሎም ካብ ሞንጎ ዝረኣዩ ሓደሽትን ነዋሕትን ህንጻታት መብዛሕትኦም ብባንክታት ዝውነኑ እዮም። ካብ ኣደባባይ ሜክሲኮ ክሳብ ብሄራዊ ትያትር ዘሎ ኮሜርስ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ጥቓ ስታድየም ኣብ ዝርከቡ ከባብታት ኣብታ ሃገር ዘለዉ ባንክታት የህንጹዎም ብዘለዉን ብዘህነጹዎምን ነዋሕቲ ህንፃታት ተኸቢቦም ኣለው። ብኣርባዕቲኡ ኣንፈት እታ ከተማ ኮይንካ ጎሊሖም ካብ ሞንጎ ዝረኣዩ ህንፃታት ሓድሽ ህንፃ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ፣ ሒደት ዓመታት ዘቑፀሩ ህንፃታት ባንኪ ኣዋሽን ወጋገንን ምፅራሕ ይከኣል። ሓደሽቲ ህንፃታት ባንኪ ዳሽን፣ ዘመንን ቡናን እውን ክሳዶም ኣወጢሖም ካብ ሞንጎ ዝረኣዩ'ዮም። ባንኪ ንብ ኢንተርናሽናል ክልተ ሚሊየን ብር ወጻኢ ዝገበረሉ ህንጸት ዋና ቤት ጽሕፈት ዛዚሙ ኣሎ። እዚ፡ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ክህነጽ ዝጸንሐን ናይ ንህብን ጎጎ መዓርን ቅርጺ ክህልዎ ገይሩ ዝተሰርሐ ኮይኑ እቲ ህንጻ ኣብ ቀረባ ስርሑ ከም ዝጅምር ይግለጽ። እቲ ህንጻ፡ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ጽሕፈት፣ ድኳናት፣ መውዓሊ ህጻናት፣ ናይ ስፖርት ማእከላት፣ 500 ሰብ ዝሕዝ ኣዳራሽን ንኻልኦት ኣገልግሎታት ዝውዕሉ ክፍልታት ዝሓዘ 37 ደርቢታት ኣለዎ። ኣብ መጀመርታ ብ1.67 ቢሊየን ብር ክዛዘም'ዩ ዝብል ትጽቢት ነይሩ፤ ጸኒሑ ናይ ዲዛይን ለውጢ ምስ ተገብረ ግን እቲ ወጻኢ ናብ ክልተ ቢሊየን ብር ክብ ከም ዝበለ ፕሬዝደንት እቲ ባንክ ኣቶ ገነነ ሩጋ ተዛሪቡ። እዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጎደና ኣበበ ኣረጋይ ዝተሃነጸ ህንጻ መብዛሕትኦም ክፍልታት ንኣገልግሎት እቲ ባንኪ ክውዕሉ እንከለው፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ክካረዩ'ዮም ተባሂሉ ኣሎ። እዚ ሓድሽ ህንጻ ኣብ ዓመት ንክራይ ዋና ቤት ጽሕፈት ዝወጽእ ዝነበረ 30 ሚሊየን ብር ከም ዘሕዊ እቲ ፕሬዝደንት ሓቢሩ። ብኻልእ ወገን ኣብ ቀረባ ስርሑ ከም ዝጅምር ዝግለጽ ዘሎ ዓብዪ ህንጻ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ካልእ ነታ ከተማ ጽባቐ ብምልባስ ንዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ዝውዕል ክኸውን እዩ። እዚ ቅርጺ ኣልማዝ ዘለዎ በዓል 48 ደርቢታት ህንጻ፡ ንላዕሊ 210 ሜትሮ ንውሓት ኣለዎ። እቲ ህንጻ ልዕሊ 1,500 መካይን ጠጠው ከብል ከም ዝኽእል እቲ ባንኪ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገሊጹ። ህንጻ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ሙሉእ ንሙሉእ ንምዝዛም ኣስታት 300 ሚሊየን ዶላር ከም ዝሓትት'ውን ሓቢሩ። ማኔጂንግ ዳይሬክተር 'ሎውረንዱ ኣሶሲየትስ' ዝተባህለ ጉጅለ ኣማኸርቲ፡ ባንክታት ዘህንጹዎም ህንጻታት ብኣግባቡ ይጥቀምሉ የለውን ክብል ብትዊተር ገሊጹ ነይሩ። ኣብ ሞንጎ ጀመርቲ ቢዝነሳትን ባንክታት ዝኸድሉ ዘለው መገድን ከኣ ምጥዕዓም ከም ዘየሎ ይሕብር። ባንክታት ሓድሽ ህንፃ ኣብ ዝሃንጹሉ እዋን ኣበይ ኣዚና ክንሃንፅ ይግባእ፣ ብኸመይ ምምዝዛን ንኽእል፣ ብኸመይ'ከ ምስ ሓደሽቲ ትካላት ንግዲ ምስራሕ ንኽእል ዝብል ኣብ ግምት ከእትዉ ይግባእ ይብል። ብኦዲት (ናይ ሕሳብ ምርመራ)፣ ኣካውንቲንግን ምምኻርን ናይ ብዙሕ ዓመታት ልምዲ ዘለዎ ተቐማጢ ለንደን ዓብዱልመናን መሓመድ ባንክታት ኣብ ዝተፈላለዩ ንግድታት ንከይዋፈሩ ሃገራዊ ባንኪ ዘንበረሎም ገደባት ኣለው ይብል። \"ንኣብነት፡ ኣብ ሪል ስቴት ንምውፋር ልዕሊ 10 ሚእታዊት ዝተፃረየ ኣታዊኦም እምበር ልዕሊኡ ምጥቃም ኣይኽእሉን። እንተኾነ ንባዕሎም ዝጥቀምሉ ምህናፅ ይኽእሉ'ዮም፤ እዚ ሃገራዊ ባንኪ ይፈቕዶ'ዩ\" ይብል። ኣይተ ዓብዱልመናን ባንክታት ብብዝሒ ህንፃ ዝሃንጹሉ ዘለዉ ምኽንያት፡ ብኽልተ ኣንፈት ክንርእዮ ንኽእል ኢና ኢሉ። \"እቲ ቀዳማይ ብምኽንያት ሕዚ ዘሎ ዝቕባበ ዋጋ (ኢንፍሌሽን) ገንዘብ ወነንቲ ኣክስዮን እናተበልዐ ከይመጽእ ንምሕላው'ዩ፤ ምኽንያቱ ኣብ ቀዋሚ ንብረት ይውዕል ስለ ዘሎ። እቲ ካልኣይ ድማ ድጋፍ ሃገራዊ ባንኪ ከይሃለዎ ኣይተርፍን\" ይብል። ባንክታት ህንፃ ዝሃንፁ፡ ካብ ዘለዎም ጠቕላላ ሃፍቲ ክንደየናይ ዝኾን ተጠቒሞም'ዩ እንተይልና ግና ካብ ክልተ ሚእታዊት ከም ዘይበልፅ እቲ በዓልሞያ ይሕብር። \"ማእኸላይ ቑፅሪ ኢንዳስትሪ እንተሪእና፡ ባንክታት ካብ ጠቕላላ ካፒታለን ርብዒ ሃፍተን ዝኾን እዩ ህንጻታት ኣብ ምስራሕ ዘውዕልኦ ዘለዋ። በዚ መልክዕ እንተድኣ ተራእዩ ብዙሕ ገንዘብ ዝበሃል ኣይኮነን\" ይብል። ባንክታት ዋና ቤት-ፅሕፈት የድልዮም እዩ፤ እንተዘይኮይኑ ናብ ምክራይ እዮም ክኣትዉ ብምባል ቀዋሚ ንብረት ምህናፅ ኣድላይ እዩ ንዝብል ነጥቡ የጠናኽር። ማኔጂንግ ዳይሬክተር 'ሎውረንዱ ኣሶሲየትስ' በርናር ድማ፡ ባንክታት ህንፃ ሰሪሐን ሰራሕተኛታተን ካብ ዘእትዋሉ፡ ንዓማዊለን ብሊዝ ብምሃብ ከም ሪል ስቴት እንተዝርእይኦ ይሓይሽ ዝብል ሓሳብ ኣለዎ። ኣይተ ዓብዱልመናን ግና፡ እኳድኣስ ገለ ባንክታት ሙሉእ ብሙሉእ ይጥቀማሉ ኣለዋ እየን ይብል። \"ኣነ ክሳብ ዝፈልጦ፡ ባንኪ ኣዋሽ ዝሰርሖ ህንፃ ኣይኣክልን ኢልዎ፡ ካልእ ህንፃ ንምስራሕ እዩ ዝሓስብ ዘሎ። ባንኪ ዳሽን'ውን ከስፍሕ ይሓስብ ኣሎ። ዓቕሚ እቲ ባንኪ ግን ይፈላለ'ዩ። ገለ ባንኪታት ብዙሕ ሰራሕተኛን ክፍልታትን ስለ ዘለወን ከይኣኽለን ይኽእል'ዩ። ብኣማኢት ዝቑፀር ሰራሕተኛታት ዘለወን ባንክታት ግና ብግቡእ ዘይክጥቀማሉ ይኽእላ። \"እቲ ካልእ ድማ ብምኽንያት እቲ ሕዚ ዘሎ ዝቕባበ ዋጋ እቲ ገንዘብ ንከይብላዕ ኣብ ቀዋሚ ንብረት ምውዓል ይምረጽ። ባንክታት መዋእለ ንዋየን ኣብ ምስራሕ ህንፃታት ምውዓለን ትኽክለኛ ዘይኮነ ኢንቨስትመንት'ዩ ኣይብልን\" ኢሉ። ኣማኻሪ ትካላት ንግዲ በርናር ኣብ ናይ ትዊተር ገፁ ኣብ ዘስፈሮ ሓሳብ፡ ኣብ ሓደሽትን ዓበይትን ትካላት ንግዲ'ዩ ቀንዲ ትኹረቱ ገይሩ። ኣይተ ዓብዱልመናን፡ ኣብታ ከተማ ብዙሓት ዝካረዩ ህንፃታት ይሰርሑ ስለ ዘለዉ ተኻረይቲ እንተዘይተሳኢኖም ምክራይ ግቡእ ሓሳብ'ዩ ብምባል ምስ በርናር ይሰማማዕ። \"ካብ ርእሰከተማ እታ ሃገር ወፃኢ ኣብ ካልኦት ከባብታት ህንፃታት ዘለዎም ባንክታት፡ ኣካርዮም ብዙሕ ኣታዊ ከም ዝረኽቡ ይፍለጥ። ትርፊ ቦታ ክሳብ ዝሃለዎም ነቲ ቦታ ኣካርዮም ኣታዊ ክረኽቡ ግቡእ'ዩ\" ይብል። ባንክታት፡ ናይ ቅድሚት፣ ማእከልን ናይ ድሕሪትን ኣብያተ ጽሕፈቶም ዘመናዊ [ዲጂታላይዝ] ክገብሩዎ ይግባእ ዝብል በርናር፡ ሓሓሊፉ'ውን ቀዳምነት ዘይወሃቦም ጉዳያት ንናይ ወጻኢ ትካላት ክወሃቡ ግቡእ'ዩ ኢሉ። ልዕሊ ኩሉ ቀዳምነት ዝወሃቦ ግን ባንክታት ንሓደሽትን ዓበይትን ትካላት ንግዲ ማዕፆአን ርሑው ምግባር'ዩ ይብል። ብተወሳኺ፡ ሓደሽቲ ትካላት ንግዲ፡ ባንክታት ባዕለን ክዋጽአኦ ኣብ ዘይኽእላ ጽላታት ብሓባር እንተወፊሮም ሓቢሮም ክሰርሑ ከም ዝኽእሉ ይገልጽ። ዓብዱልመናን ዝማዕበላ ሃገራት፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ህንፃ ዘለወን ልምዲ ልዑል ከም ዝኾነ'ዩ ዝሕብር። \"ኣብ ለንደን'ኳ ባንክታት ኣብ 'ፋይናንሻል ሴንተር' (ማእኸል ንግዲ) እየን ዘለዋ። ኣብ ለንደን ሊቨርፑል ስትሪት ዝበሃል ኣሎ። ዓብይ ማእኸል ንግዲ ስለ ዝኾነ፡ ብኽቡር እዩ ዝካረ። ስለዚ ኣብ ኣጠቓቕማ ህንፃ ብጣዕሚ ብቑዓት'ዮም\"። ብተወሳኺ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ኣዝዩ ዝማዕበለ ስለ ዝኾነ፡ ገሊኦም ዝህልዎም ኣብያተ ቤት-ፅሕፈት ኣብ ካልአ ዓዲ ክገብሩዎ'ኳ እንተኽኣሉ ኣብ ሓደ ቦታ ዝተኣከቡ ከም ዝኮኑ ይዛረብ። \"ሕዚ ሕዚ ገለ ኣገልግሎታት ካብ ህንዲ ምሃብ ይልመድ ኣሎ። ሕዚ ድማ ምስ ኮቪድ ብዝዛመድ ካብ ገዛ ናይ ምስራሕ ልምዲ ስለ ዝመፅአ ዝተወሰኑ ህንፃታት የካርዩ ኣለዉ። ናትና ባንክታት'ውን ኣብ ቀፃሊ ቴክኖሎጂ እናጠንከረ ምስ ዝመፅእ ናይ ግድን ኣብ ሓደ ቦታ ተኣኪብካ ምስራሕ ትፅቢት ከይገብረለን ይኽእል\" ብምባል ብሓፈሻ ባንኪታት ብመንፅር ናህሪ ዋጋ ዓበይቲ ህንፃታት ምስርሖም ጥቕሙ የመዝን ይብል። \"እንተኾነ እዚ ጥራሕ መምዘኒ'ዩ ኣይበልኩን። እኳ ድኣ ምክራይ'ዶ የዋፅእ ወይስ ምህናፅ ከምኡ'ውን ካልኦት መዐቀኒታት ኣቐሚጠን'የን ክውሰና ዘለወን። ናይ ገራዊ ባንኪ ጸቕጢ ከም ዘሎ ግን ክዝንጋዕ የብሉን\" ብምባል ሓሳቡ ይዛዝም።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58391216"} {"headline":"ኣብ ህንዲ ካብ ኮሮናቫይረስ ዝሓወዩ ሰባት ዓይነስውር ብዝገብር ሕማም ይጥቅዑ ኣለዉ","content":"ካልኣይ ማዕበል ለብዒ ኮሮናቫይረስ ኣብ ከቢድ ጸበባ ዘእተዋ ህንዲ መዓልታዊ ብኣማኢት ኣሽሓት በቲ ቫይረስ ይተሓዙላን ኣሽሓት ይሞቱላን ኣለዉ። ኣብዚ እዋን ከኣ ሰብ ሞያ ሕክምና፤ ኣብቶም ካብቲ ሕማም ይውዩ ዘለዉን ዝሓወዩን ሕሙማት ‘ብላክ ፈንገስ’ ዝተባሃለ ሕማም ይርእዩ ምህላዎም ተገሊጹ። ብናይ ሕክምና ስሙ ‘ሙክሮሚኮሲስ’ ብዝብል ዝፍለጥ እዚ ብርሃን ዓይኒ ዘስእን ጸገም ጥዕና ዝበዝሕ እዋን ካብ ሓመድ፣ ተኽልታት፣ ዒባን ዝበዝበሱ ፍሩታታት ዝመጽእ እዩ። እቲ ሕማም ነቶም ናብ ሰብነትና ኣየር ዝኣትወሎም ነዃላት ወይ ንሳንባ ብምጥቃዕ ብፍላይ ተደራረብቲ ሕማማት ንዘለዎም ሰባት ክቐትል ይኽእል። ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሰባት፣ ሰብነቶም ሕማማት ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ዝደኸሞም ከምኡ’ውን ብኤች ኣይ ቪን መንሽሮን ዝተጠቕዑ ሰባት በዚ ሕማም ናይ ምሟት ተኽእሎኦም ዝለዓለ እዩ። እዚ 50 ሚኢታዊት ናይ ምቕታል ዓቕሚ ዘለዎ ሕማም ክስፋሕፋሕ ዝኸኣለ ብኮቪድ-19 ብጣዕሚ ዝሓመሙ ሰባት ዝወስድዎ ሓይሊ ወሃቢ መድሓኒት ስዒቡ ምዃኑ ዶካትር ይዛረቡ። ‘ስቴሮይድስ’ ብዝብል ዝፍለጡ ሰብ ሰራሕ ሆርሞናት ሳንባ ከይቑጣዕ ብምግባርን ሰብነት ሕማማት ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ክውስኽ ብምኽኣልን ይፍለጡ። ኣብ ሰለስተ ሆስፒታላት ከተማ ሙምባይ ዘገልግል ዘሎ ዶክተር ናይር ከምዝብሎ፤ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ብውሑድ 40 ሰባት በዚ ህማም ተጠቒዖም’ዮም። ካብ ወርሒ ታሕሳስ ክሳብ ለካቲት ኣብ ዝነበረ እዋን ድማ ኣብ ሓሙሽተ ዓበይቲ ከተማታት 58 ሰባት በቲ ሕማም ተጠቒዖም። መብዛሕቲኦም ሰባት በዚ ሕማም ዝጥቅዑ ካብ ኮሮናቫይረስ ብድሕሪ ምሕዋዮም ኣብ ዘለዉ ካብ 12 ክሳብ 15 መዓልታት ከምዝኾኑ ይግለጽ። ኣብ ሙምባይ ዝርከብ ሆስፒታል ሳዮን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ 24 ሰባት በዚ ሕማም ክተሓዙ ከለዉ፡ ካብ ሞንጎኦም 11 ብርሃን ዓይኖም ስኢኖም እቶም ሽድሽተ ድማ ሞይቶም። ኣብ ካልእ ከተማ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት 19 ሰባት በቲ ሕማም ከምዝተጠቕዑ ዝገለጸ ካልእ ዶክተር ብወገኑ መብዛሕቲኦም መናእሰይ ከምዝኾኑ ሓቢሩ። በዚ ሕማም ዝተትሓዙ ሰባት ኣፍንጭኦም ይዕበስን ይደምይን፤ ኣብ ከባቢ ዓይኖም ሕብጠት የጋጥሞም፤ ቁሩብ ጸኒሑ ናይ ምርኣይ ዓቕሞም እናተዳኸመ ብምምጻእ ኣብ መወዳእታ ዓይነ ስውር ክኾኑ ይኽእሉ። ነቲ መድሓኒት ኣብ ምሕካም ዝውዕል መድሓኒት ንሓደ ብ48 ዶላር ዝሽየጥ ኮይኑ ንተኸታተልቲ ሰሙናት ዝውሰድ’ዩ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57046595"} {"headline":"ሚያንማር፡ ናብ ህንዲ ዝሃደሙ ፖሊስ ሃገራ ክትመልሰላ ንህንዲ ሓቲታ","content":"ኣብ ሚያንማር ዕልዋ መንግስቲ ድሕሪ ምግጣሙ ሃዲሞም ናብ ህንዲ ዝኣተዉ ኣባላት ፖሊስ፡ ህንዲ ኣሕሊፋ ክትህባ እታ ሃገር ሓቲታ። ሚያንማር ትእዛዝ ናይ’ቲ ብዕልዋ ናብ ስልጣን ዝወጸ ሰራዊት ንዘይምፍጻም ኢሎም ናብ ህንዲ ዶብ ሰጊሮም ዝኣተዉ ኣባላት ፖሊስ ከምዘለዉን ዑቕባ ከምዝሓተቱን ኣፍልጦ ከምዘለዋ ገሊጻ። እቶም ኣባላት ፖሊስ፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት ዶብ ሰጊሮም ናብ ህንዲ ምእታዎም ሰብ መዚ ህንዲ ተዛሪቦም እዮም። ሰበስልጣን ማያንማር ናብ ህንዲ ኣብ ዝጸሓፉዎ ደብዳበ፡ ጽቡቕ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ክቕጽል ህንዲ ነቶም ኣባላት ፖሊስ ኣሕሊፋ ክትህብ ጸዊዖም። ፖሊስ ህንዲ፡ ካብ ፖሊስ ሚያንማር እዚ ደብዳበ ከምዝበጽሖም ንሮይተርስ ኣረጋጊጹ’ሎ። ኣብ’ቲ ካብ ሚያንማር ዝተጽሓፈ ደብዳበ፡ ዶብ ሰጊሮም ናብ ህንዲ ዝኣተዉ ሸሞንተ ኣባላት ፖሊስ ምህላዎም ተጠቒሱ’ሎ። “ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ምሕዝነታዊ ርክብ ንምቕጻል፡ ህንዲ ነቶም ዶብ ሰጊሮም ዝኣተዉ ሾሞንተ ኣባላት ፖሰስ ሚያንማር ኣብ ቀይዲ ብምእታው ንሚያንማር ክተረክብ ብትሕትና ንሓትት” እዩ ዝብል እቲ ደብዳበ። ሚኒስትሪ ውሽጢ ዓዲ ህንዲ፡ ኣብ’ዚ ጉዳይ ርእይቶ ክህብ ትጽቢት ለሎ። ሚያንማር፡ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ወርሒ ዕልዋ መንግስቲ ምስተገብረ፡ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታትን ናዕብን ይረኣየላ ዘሎ ሃገር እያ። ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰልፈኛታት ከቢድ ስጉምትታት ዝወሰዱ ኮይኖም፡ ብውሕዱ 55 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ። ብዙሓት ድማ ኣብ ቀይዲ ውዒሎም እዮም። ሓይልተት ጸጥታ ሰባት እናኣሰሩን ናብ ህንጻተት እናተኮሱን ዘርእዩ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸብተት ተዘርጊሖም እዮም። ሰራዊት ሚያንማር፡ ኣብ ፈለማ ወርሒ ለካቲት፡ ብዴሞክራሲያዊ መንገዲ ንዝተመረጸት መራሒት ኣን ሳን ሱቺ ብምእሳር ዕልዋ መንግስቲ ከምዝገበረ ይፍለጥ። ድሕሪ እቲ ዕልዋ መንግስቲ፡ ኣባላት ባይቶ፣ ተቓወምቲ ሰልፈኛታትን 29 ጋዜጠኛታትን ሓዊሱ ልዕሊ 1700 ሰባት ተኣሲሮም ምህላዎም ሓላፊት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሼል ባቸሌት ትገልጽ። እቲ ብዝሒ ግን ልዕሊ እዚ ክኸውን ከምዝኽእል ግምታት ኣሎ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56311829"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ህንዲ ቁጽሪ ምውታት ልዕሊ 200,000 በጺሑ","content":"ኣብ ህንዲ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ልዕሊ 200,000 ሞት ከምዝተመዝገበ ተገሊጹ። እዚ ቁጽሪ ንኣመሪካ፣ ብራዚልን መክሲኮን ስዒቡ፡ ህንዲ በቲ ለበዳ ዝለዓለ ሞት ዘመዝገበት፡ ኣብ ዓለም ራብዐይቲ ሃገር ይገብራ። ከምኡ ድማ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ እቲ ዝለዓለ ብዝሒ ሞት ብምምዝጋብ ቀዳመይቲ ሃገር ኮይና ኣላ። እቲ ዓብዪ ሻቕሎት ፈጢሩ ዘሎ ካልኣይ ዙርያ እቲ ለበዳ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን ሩፍታ እዩ ኣጓኒፉ ዘሎ። እንተኾነ፡ ምስ መረጻ ብዝተኣሳሰር ዝተገብሩ ሰለማዊ ሰልፍታትን ፈስቲቫል ሂንዱን እቲ ለበዳ ኣዝዩ ክስፋፋሕ ጠንቂ ኾይኖም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት። እቶም ኣብ እዋን መረጻ ዝተገብሩ ናይ ድጋፍ ሰልፍታትን ኣብ ሃይማኖታዊ በዓላትን ሚልዮናት ኣብ ኣደባበይ ወጺኦም ተራእዮም። እዚ ድማ፡ ነቲ ሕዚ ኣጓኒፉ ዘሎ ካልኣይ ዙርያ ማዕበል፡ ኣስተዋጸኦ ገይሩ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝግመት። ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከባ ሆስፒታት ብዋሕዲ መደቀሲ ዓራትን ኦክሲጅንን ተሳቕየን ኣለዋ። እቲ ለበዳ ኣብታ ሃገር ዓብዪ ማሕበራዊ ቅልወውላው የስዕብ ከምዘሎ እዩ ዝዝረብ። ልዕሊ 18 ዝኾነ ሰብ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክኽተብ፡ ምምዝጋብ ተጀሚሩ ኣሎ፤ ግን ድማ፡ ሰብ መዚ ዋሕዲ ክታበት ከምዘሎ እዮም ዝዛረቡ። እቲ ጉዳይ ኣብ ዓለም ዓብዪ ሻቕሎት ዝፈጠረ ኾይኑ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ሃገሩ ተወሳኺ ክታበት ናብ ህንዲ ከምእትልእኽ ኣፍሊጡ ኣሎ። ዝበዝሓ ግዝኣታት ህንዲ በቲ ለበዳ ዝተጠቕዓ ኾይነን፡ ብኣውርኡ ግና ማሃራሽትራ ዝተብሃለት ምዕራባዊት ግዝኣትን ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ሙምባይን ኣዝየን ከምዝተሃሰያ ተሓቢሩ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56888798"} {"headline":"ህንዲ፡ ኣብ ሆስፒታል ብዘጋጠመ ባርዕ ብውሕዱ 13 ተሓከምቲ ኮቪድ-19 ሞይቶም","content":"ኣብ ህንዲ ኣብ ጥቃ ከተማ ሙምባይ ኣብ ዝርከብ ሕሙማት ኮቪድ-19 ዝእለይሉ ሓደ ሆስፒታል ብዘጋጠመ ባርዕ ብውሕዱ 13 ሕሙማት ከምዝሞቱ ተገሊጹ። እቲ ባርዕ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ስዓታት ናይ ንግሆ ዘጋጠመ ኮይኑ: ካብቲ ባርዕ ዘጋጠመሉ ክፍሊ ኣርባዕቲ ተሓከምቲ ብህይወት ወጺኦም ናብ ካልእ ሆስፒታል ተወሲዶም ምህላዎም ሰብ መዚ ኣፍሊጦም። ህንዲ ብካልኣይ ብርቱዕ ደግሲ ማዕበል ኮሮናቫይረስ ኣብ ትሕመሰሉ ዘላ እዩ እዚ ሓደጋ ኣጋጢሙ። ኣብ ህንዲ ብሰንኪ እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ብርቱዕ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሕጽረት ኦክስጅን ኣጋጢሙ ከምዘሎን ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ሕሙማት ዓራትን ቬንትለተራትን ኩሉ ተታሒዙ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ህንዲ ብዓርቢ 332,730 ሓዲሽ መልከፍቲ ከተመዝግብ እንከላ እዚ ቁጽሪ እዚ ኣብ 24 ሰዓታት ኣብ ሓንቲ ሃገር ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝተመዝገበ ዝልዓለ ቁጽሪ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ። ጠንቂ እቲ ኣብ ዞባ ማሃራሽትራ ዘጋጠመ ባርዕ ክጻረ ላዕለዋይ ሚኒስተር እቲ ዞባ ጸዊዑ ኣሎ፡ ቀዳማይ ሚኒሰትር ህንዲ ናረንደራ ሞዲ'ውን ነቲ ሓደጋ 'ዘሰንብድ' ድሕሪ ምባል ብመንገዲ ትዊተር ናይ ሓዘን መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ኣሎ። ኣብ ህንዲ ኣብ ብዙሓት ዞባታት ቁጽሪ ሓዲሽ መልከፍቲ ብናህሪ ይውስኽ ብምህላዉ ኣብ መላእ እታ ሃገር ሕጽረት ኦክስጅን ኣጋጢሙ ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒሰትር ህንዲ ናረንደራ ሞዲ ነዚ ኣመልኪቱ ምስ ሚኒስተራት እተን ዝያዳ ተጠቂዐን ዘለዋ ዞባታትን ትካላት ኣፍረይቲ ኦክስጅንን ሎሚ ኣኼባ ከካይድ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ነቲ ኩነታት \"ሓደጋ ሃገራዊ ጥዕና\" ኢሉ ብምጽዋዕ፡ መንግስቲ ቀረባት ኦከስጅን ንኸሐይልን ነቲ ለብዒ ንምግታእን ስጉምትታት ክንድፍ ጸዊዑ። ዞባ ማሃራሽትራ እታ ብሕጸረት ኦክስጅንን ቁጽሪ ሕሙማትን ዝያዳ ተሃስያ ዘላ ዞባ እያ። ኣብታ ዞባ፡ ቅድሚ ክልተ መዓልታ ኣብ ሆስፒታል ደቂሶም ካብ ዝነበሩ ተሓከምቲ: ኦክስጅን ስለዝተቋረጾም 24 ከምዝሞቱ ተገሊጹ ነይሩ። እቲ ምቁራጽ ናይ ኦክስጅን፡ ነቲ ዝተወደአ ኣጋንእ ኦክስጅን ንምምላእ ኣብ ዝተፈተነሉ፡ ላሕኵ ኦክስጅን ኣጋጢሙ እቶም ተሓከምቲ ብሕጽረት ኦክስጅን ከምዝሞቱ ተገሊጹ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56856115"} {"headline":"ወተሃደራት ቻይናን ህንድን ናብ 'ሓድሽ ዶባዊ ጎንጺ' ምእታዎም ተገሊጹ","content":"ኣብ ሞንጎ ወተሃደራት ቻይናን ህንድን ብሰንኪ ኣብቲ ነተን ሃገራት ዘሰሓሕብ ዶብ መሊሱ ብዝተወለዐ ግጭት ካብ ክልቲኤን ወገን ወተሃደራዊ መቑሰልቲ ከምዘጋጠመ ጸብጻብ ማዕኸን ዜና ህንዲ ኣመልኪቱ። እቲ ዝሓለፈ ረቡዕ ዝተወለዐ ግጭት ሰሜን ሲኪም ኣብ ዝተበሃለ ቦታ ከምዘጋጠመ ተፈሊጡ። ሰራዊት ህንዲ \"ቀሊል ጎንጺ ነይሩ ግን ከኣ ተፈቲሑ\" ክብል ሓቢሩ። ብምኽንያት እቲ ኣብ ዓለም ዝነውሐ ዕድመ ዝጸንሐ ዶባዊ ምስሕሓብ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ወጥርታት እናሓየለ ይመጽእ ኣሎ። ክልቲኤን ድማ ኣዝዩ ሰፊሕ ዝኾነ ግዝኣት \"ናተይ\" ክብላ ይካሰሳ። ኣብ ወርሒ ሰነ ተወሊዑ ብዝነበረ ጎንጺ ብውሑድ 20 ወተሃደራት ህንዲ ከምዝሞቱ ይግለጽ። ግዝኣት ስኪም ድማ ኣብ ሞንጎ ቡሁታንን ኔፓልን ተቐርቂራ ትርከብ። ሰበስልጣን ህንዲ ከምዝብልዎ፡ ኣብ ሓለዋ ዝተዋፈሩ ወተሃደራት ቻይና ንግዝኣት ሰጊሮም እንተኣተዉ'ኳ ተደፊኦም ወጺኦም ኣለዉ። ኣብቲ ካባቢ ዝርከቡ ሩባታትን ቀላያትን ሓሓሊፉ ንወተሃደራት ክልቲኤን ሃገራት ገጽ ንገጽ ዘራኽቡ ብምዃኖም ገለ እዋናት ናብ ጎንጺ የእትውዎም። እቲ ዝኸፍአ ዝበሃል ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ላዳክ ሽንጥሮ ጋልዋን ዘጋጠመ ግጭት ምንባሩ ይግለጽ። ሽዑ ቻይና ኣብ ልዕሊ ወተሃደራታ ጉድኣት ከምዝበጽሓ ክግለጽ ከሎ ዝሃበቶ ርእይቶ ግን ኣይነበረን። ብድሕሪ'ቲ ዝተኻየደ ናይ ኢድ ብኢድ ውግእ ነቲ ጉዳይ ንምዝሕሓል ተዘራሪበን'የን። እቲ ናይ ቀረባ ዝበሃል ብሰንበት ብደረጃ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ዝተገበረ ዝርርብ'ዩ። ክልቲኤን ሃገራት ሓደ ጊዜ ጥራይ ማለት ብ1962 ኲናት ዘካየዳ ኮይነን ህንዲ ከቢድ ስዕረት ከምዘጋጠማ ይግለጽ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55793009"} {"headline":"ህንዲ፡ ኣብ ሆስፒታል ብዝተልዓለ ባርዕ 10 ህጻናት ሞይቶም","content":"ኣብ ህንዲ፡ ኣብ ሓደ ሆስፒታል ብሰንኪ ዘጋጠመ ባርዕ፡ ኣብ መሕረሲ ክፍሊ ዝነበሩ 10 ህጻናት ሞይቶም። እቲ ሓደጋ ቀዳም ወጋሕታ ዘጋጠመ ኾይኑ፡ ሰራሕተኛታት ናይ’ቲ ሆስፒታል ነቶም ህጻናት ከድሕኑ እኳ እንተተጓየዩ፡ እቶም ዓሰርተ ግን በቲ ባርዕ ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ። ሰራሕተኛታት ምጥፋእ ባርዕ ናብ’ቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ሆስፒታል ቅድሚ ምብጸሖም ግን፡ ሸውዓተ ህጻናት ካብ’ቲ ባርዕ ምድሓን ተኻኢሉ እዩ። እቲ ባርዕ፡ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ህንዲ፡ ማሃራሽትራ ኣብ ዝበሃል ግዝኣት እዩ ኣጋጢሙ። ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ነቲ ክስተት “ልቢ ዘድሚ ዘሕዝን ፍጻመ” ክብል ገሊጽዎ። መንቀሊ ናይ’ቲ ባርዕ እንታይ ከምዝኾነ ዛጊድ ኣይተፈልጠን፡ ምጽራይ ድማ ተጀሚሩ’ሎ። ናይ’ቲ ከባቢ ሚድያታት ከምዝበልዎ፡ ኣብ እዋን እቲ ባርዕ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ናይ ሕርሲ ክፍሊ ተደጋጋሚ ነትጉታት ብምንባሩ ንምድሓን ህይወት ንዝግበር ጻዕርታት ዓንቂፉዎ እዩ። ኣብ ስራሕ ዝነበረት ሓንቲ ነርስ፡ ካብ’ቲ ዝተወልዱ ህጻናት ዝእለይሉ ክፍሊ ትኪ ክወጽእ ምስረኣየት ንሰብመዚ ከምዝሓበረት ተዛሪባ። “ሰብ መዚ ናይ’ቲ ሆስፒታል ሸውዓተ ህጻናት ኣድሒኖም እዮም፡ 10 ህጻናት ግን ኣብ’ዚ ዘሕዝን ክስተት ሞይቶም” ክብል ካልእ ሓኪም ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሞዲ ድማ፡ ንስድራ እቶም ግዳያት ጽንዓት ይሃብኩም ኢሉ። ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ህንዲ ኣሚት ሻህ ብወገኑ፡ በቲ ፍጻመ “ቃላት ካብ ዝገልጽዎ ንላዕሊ ከምዝሓዘነ” ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55600195"} {"headline":"ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ናብ መላእ ዓለም ይላባዕ ኣሎ ተባሂሉ","content":"ህንድን ፓኪስታንን ነቲ ፈለማ ኣብ ብሪጣንያ ዝተረኽበ፡ ልዑል ናይ ምምሕልላፍ ተኽእሎ ዘለዎ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ድሒ ዝተራእየለን ሃገራት ኮይነን ኣለዋ። ኣብ ወደባዊት ከተማ ካራቺ ሰለስተ ሰባት እቲ ቫይረስ ከም ዝተረኽቦም ሰብ መዚ ጥዕና ዞባ ሲንድ ፓኪስታን ክገልጹ እንከለው፡ ህንዲ'ውን 6 ሰባት ከም ዝረኸበት ሓቢራ። ኩላቶም ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ብሪጣንያ ከም ዝተመልሱ እተን ሃገራት ሓቢረን። ምስኦም ርክብ ዝነበሮም ሰባት ይድለዩ ከም ዘለው'ውን ገሊጸን። ፓኪስታን፡ እቲ ሓድሽ ዓይነት ቫይረስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ተረኽበ ካብን ናብን ብሪጣንያ ኣብ ዝግበር መገሻ ቀይድታት ካብ ዘንበራ ብርክት ዝበላ ሃገራት እያ። እንተኾነ ግና ኣብ ብሪጣንያ ገይሾም ዝነበሩ ዜጋታታ ካብቲ ቫይረስ ናጻ ምዃኖም ዘረጋግጽ ወረቐት ብምሓዝ ክምለሱ ኣፍቂዳ እያ። ኣብዚ እዋን: እዚ ሓድሽ ዓይነት ቫይረስ ካብ 20 ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ተረኺቡ ኣሎ። ኣብ ኣውሮጳ፡ ኣብ ሆላንድ፡ ዴንማርክ፡ ፈረንሳ፡ ጥልያን፡ ስጳኛ፡ ስዊዘርላንድ፡ ሽወደን፡ ፊንላንድ፡ ኣየርላንድ፡ ጀርመን፡ ኣይስላንድን ቤልጅዩምን ዝተራእየ ክኸውን እንከሎ: ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ድማ ኣብ ካናዳ ተረኺቡ። ኣብ እስያ'ውን፡ ኣብ ጃፓን፡ ሲንጋፖር፡ ሆንግ ኮንግ፡ ህንዲ፡ ፓኪስታን፡ ደቡብ ኮርያን: ከምኡ'ውን ኣብ ኣውስትራልያን ተራእዩ ኣሎ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከኣ ኣብ እስራኤልን ሊባኖስን ተረኺቡ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55476529"} {"headline":"ህንዲ ዜጋታታ ፍርያት ሽኮር ክምገቡ ኣማሕጺና","content":"ሰብ መዚ ኢንዳስትሪ ሽኮር ህንዲ፡ ዜጋታት ነቲ ልዕሊ ጠለብ ዝፈረየ ሽኮር ክምገቡ ዘተባብዕ ወፍሪ ጀሚሮም። ማሕበር ምፍራይ ሽኮር ህንዲ ነቶም ሽኮርን ኣብ ጥዕና ዘሕድሮ ጽልዋን ብዝምልከት ዝዝረቡ ገለ ጽውጽዋያት ከጥፍኦም ከምዝደልይ ሓቢሩ'ሎ። ሓደ ህንዳዊ ብማእኸላይ ገምጋም ኣብ ዓመት ከባቢ 19 ኪሎ ግራም ሽኮር ዝምገብ ኮይኑ እዚ ድማ ትሕቲ እቲ ዓለማዊ መጠን ከምዝኾነ ይግለጽ። እንተኾነ እታ ሃገር፡ ካብ ሽኮር ወጻእ መግብታት ምቁር ጣዕሚ ንኽህልዎም ዝገብሩ ካልኦት ብእታታት [ንጣዕሚ ሽኮር ዝትክኡ] ብምጥቃም ኣብ ዓለም ብቐዳምነት ትስራዕ። ምህርቲ ሽኮር ህንዲ ኣብዚ ዓመት ብ13 ሚኢታዊት ክውስኽን 31 ሚልዮን ቶን ክበጽሕን ትጽቢት'ኳ እንተሃለወ፡ መንግስቲ ነቲ ዘዕለቕለቐ ምህርቲ ኣብ ምጽፋፍ ኣትኲሩ ከምዝሰርሕ ይገልጽ። ሓድሽ ዌብሳይት ማሕበር ምፍራይ ሽኮር ህንዲ ዜጋታት ሽኮር ንክጥቀሙ ዘተባብዑ መልእኽትታት ይዝርግሕ ዘሎ ኮይኑ፡ \"ብልዑ፣ ስተዩ ጥዕናኹም ዝተሓለወ ይኹን፡ ቁሩብ ሽኮር ዝጎድእ ኣይኮነን\" ዝብል ሓጺር መልእኽቲ ይርከቦም። እቲ ዌብሳይት ኣብ ዝኽፈተሉ እዋን በዓልመዚ መግቢ ህንዲ ሳዳንሹ ፓንደይ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዛዕባ ሽኮር ዝዝረቡ ግጉያት ሓበሬታ ብዙሓት ከምዝኾኑ ሓቢሩ። \"ብዛዕባ ሽኮርን ኣጠቓቕምኡን ብዙሓት ጽውጸዋያት እዮም ዘለዉ፤ እዚኦም ድማ ሳይንሳዊ መሰረት ዘይብሎም'ዮም\" ክብል ተዛሪቡ። እቲ ብኦንላይን ዝካየድ ወፍሪ ብማሕበራዊ መራኸብታት ብዝጥቅዑ መልእኽትታትን ስልጠናታትን ዝተሓገዘ እዩ። እቲ ሕዚ ኣብ ህንዲ ዝተጀመረ ወፍሪ ካብቲ ካልኦት ሃገራት ብዛዕባ ሽኮርን ኣጠቓቕምኡን ዝህብኦ ሓበሬታ ዝተፈለየ እዩ። ዝበዝሓ ሃገራት፡ ዜጋታትን ዝጥቀምዎ መጠን ሽኮር ክንክዩ ይምዕዳ። ሽኮር ምስ ከም ልዕሊ ዓቐን ርጉዲን ሕማም ሽኮርያን ዝበሉ ዝተፈላለዩ ጠንቅታት ጥዕና ይተሓሓዝ። ውድብ ጥዕና ዓለም ብወገኑ፡ ብፍላይ ኣብቶም \"ካብ ሽኮር ነጻ\" ዝኾኑ ብዝብል ኣብ መግብን መስተን ዝውሰኹ ነገራት ዘለዎ ስክፍታ ይገለጽ። ኣብ ህንዲ ኣስታት 50 ሚልዮን ሓረስቶት ኣብ ምፍራይ ቃንጫ ሽኮር ይነጥፉ። ካልኦት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ድማ ኣብ ምጥሓንን ምጉዕዓዝን ቃንጫ ተዋፊሮም ይርከቡ። መንግስቲ እታ ሃገር፡ ፍርያት ሽኮር ህንዲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ንኽሽየጥ ዝተፈላለዩ ድጎማታት ብምግባር ናብቲ ኢንዳስትሪ ኢዱ ይሓውስ፤ እንተኾነ ካልኦት ሽኮር ዘፍርያ ሃገራት ነዚ ይቃወማ። ነቲ ልዕሊ ዓቐን ዝፈርየ ምህርቲ ሽኮር ምእላይ ዝከኣለሉ ካልእ ኣማራጺ ከኣ ናብ ኢታኖል ብምቕያር ነዳዲ ክኸውን ምግባር ከምዝኾነ ይግለጽ። ማሕበር ምፍራይ ሽኮር ህንዲ ከምዝብሎ፡ ምህርቲ ኢታኖል እታ ሃገር ኣብዚ ዓመት ካብ ዘሎ 1.9 ቢልዮን ሊትሮ ኣብ 2021 ናብ 3 ቢልዮን ሊትሮ ክዓብይ እዩ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54790487"} {"headline":"ኮቪድ-19፡ ህንዲ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ወፍሪ ክታበት ኮሮናቫይረስ ክትጅምር’ያ","content":"ህንዲ 1.3 ሚልዮን ህዝባ ካብ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዘኽእላ ኣብ ዓለም እቲ ዝሰፍሐ ወፍሪ ክታበት ከምእትጅምር ኣፍሊጣ። ብሚልዮናት ዝቑጸሩን ፍቓድ ዝረኸቡን ኮቪድ ሺልድን ኮቫክሲንን ዝተብሃሉ ክታበታት ናብ ምሉእ ሃገር ከምዝተባጽሑ ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ክታበት ፈለማ ንሰብ ሞያ ጥዕናን ምስ ኮሮናቫይረስ ተዛሚዱ ንዝሰርሑ ሰባት ዝወሃብ ኮይኑ በቲ ቫይረስ ብቐሊሉ ንዝቃልዑ ክፋል ሕብረተሰብ እውን ከምዝወሃብ ተሓቢሩ። ህንዲ ካብ ሃገረ ኣመሪካ ቀጺላ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዘመዝገበት ሃገር እያ። 10 ሚልዮን ሰብ ሞያ ሕኽምና ተጠቐምቲ ክታበት ከምዝኾኑን ቀጺሉ ድማ ኣባላት ፖሊስ፣ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ሰራሕተኛታት ቤት ማዘጋጃን ኣቐዲሞም ነቲ ክታበት ክረኽቡ ምዃኖምን ተገሊጹ። ካብዚ ብምቕጻል ዕድምኦም ልዕሊ 50 ዝኾኑን ንኻልኦት ሕማማት ዝተቓልዑ ትሕቲ 50 ዓመት ዝዕድሚኦም ተጠቐምቲ እቲ ወፍሪ ክታበት ክኾኑ እዮም ተባሂሉ። ኣስታት 900 ሚልዮን ዜጋታት መዝጊቡ ዝሓዘ ናይታ ሃገር ናይ መረጽቲ ሰነድ ንክታበት ብቑዓት ዝኾኑ ተኸተብቲ ኣብ ምፍላይ ክሕግዝ እዩ ተባሂሉ’ሎ። መንግስቲ ህንዲ ክሳብ መፈለምታ ወርሒ ነሓሰ ን300 ሚልዮን ዜጋታት ክኸትብ ትልሚ ከምዘለዎ ይገልጽ። እቲ ወፍሪ ክታበት ኣብ ማእኸላት ጥዕና፣ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኮሌጃትን ናይ ህዝቢ መእከቢ ኣደራሻትን ከምዝካየድ ተሓቢሩ። ኣብ ህንዲ ዝርከቡ ብዙሓት ሆስፒታላት ነቲ ወፍሪ ክታበት ንምክያድ ምድላዋቶም ዛዚሞም ይርከቡ። በዓል መዚ ተቖጻጻሪ ኣፋውስ ህንዲ ዛጊድ ኮቪድሺልድን ኮቫክሲንን ንዝተብሃሉ ክታበታት ኣፍልጦ ሂቡ። እንተኾነ ግን ኣብ ውጽኢታውነት ኮቫክሲን ስግኣታት ተፈጢሮም ኣለዉ። ምኽንያቱ ድማ ናይ ሳልሳይ ደረጃ ሙከራ ግዚኡ እንከይተዛዘመ ኣቐዲሙ ስለዝመጽአ እዩ። እቲ ተቖጻጻሪ በዓል መዝን ነቲ ክታበት ዘፍሪ ትካልን ግን ድሕንነቱ ዝተሓለወ ከምዝኾነን ውጽኢታውነቱ ከኣ ኣብ ወርሒ ለካቲት ከምዝርአን ኣፍሊጦም። ክልቲኦም ኣፍልጦ ዝተውሃቦም ክታበታት ኣብ ውሽጢ 28 መዓልታት ኣፈላላይ ክልተ ግዜ ዝወሃቡ ኮይኖም እቲ ካልአዋይ ከም መጠናኸሪ ዝወሃብ እዩ። ክታበት ዝረኽቡ ሰባት ብኤሌክትሮኒክስ ዝተሓገዘ ክትትል ከምዝግበረሎምን ኣቐዲሞም ዝኽተቡ 8 ሚልዮን ሰባት ከምዝተመዝገቡን ተፈሊጡ’ሎ። ክታበት ዝህቡ 600 ሽሕ ሰባት ድማ ስልጠና ተዋሂብዎም። እቶም ብኽልተ ዙርያ ዝወሃቡ ክታበታት ኣብ ሰናይ ፍቓድ እቶም ተኸተብቲ ከምዝውሃቡን ተኸተብቲ ክልተ ግዜ ምስተኸተቡ “ክቱባት” ዝብል ናይ ምስክር ወረቐት ከምዝወሃቦምን ተፈሊጡ። ኣብ ህንዲ ፍሉጥ ናይ ክታበት በዓል ሞያ ዶ\/ር ጋጋንዴፒ “ወፍሪ ክታበት ኮሮሮናቫይረስ ህንዲ ካብ ካልኦት ሃገራት ብዝሓሸ መገዲ ክጻፈፍ ትጽቢት ኣለኒ” ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ። ኣብ ርእሰ ከተማ ደልሂ ኣብ ዝርከብ ናይ ኮሮናቫይረስ ሕሙማት መሕብሐቢ ሆስፒታል ዝሰርሕ ዶ\/ር ፋራ ሑሴን ሎሚ መዓልቲ ቀዳም ኣቐዲሞም ካብ ዝኽተቡ ሰብ ሞያ ሕክምና ሓደ እዩ። “ኣብ ስራሕ እናወዓልካ ጥዕና ስድራኻ ንምውሓስ ዝነበረ ፈተነ ነዊሕን ዋጋ ዘኽፍልን ጉዕዞ’ዩ ነይሩ። ወለደይን እናሓጎታተይን ደቀይ ብምሕብሓብ ስለዝሓገዙኒ ኣነ’ውን ካብ ደቀይ ተፈልየ እቲ ሕማም ናብ ካልኦት ከይሓልፍ ጻዕሪ ክገብር ነይሩኒ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። “እቲ ክታበት ብሰንኪ ናይ ስራሐይ ባህሪ ስድራይ ተቓላዓቲ ንኸይኾኑ ንምክልኻል ቀዳማይ ስጉምቲ ከምዝኸውን ተስፋ እገብር” ዝበለ ዶ\/ር ፋራ ሑሴን እቲ ክታበት ኣብ ማእገሩ ዘሎ ከቢድ ሸኽሚ ከራግፈሉ ብተስፋ ይጽበ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55687982"} {"headline":"ኮቪድ፡ ባይደን ንሞት 500 ሽሕ ኣመሪካውያን 'ልቢ ዝሰብር ናይ ታሪኽ ምዕራፍ' ኢሉዎ","content":"ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣመሪካ ንዘጋጠመ ሞት 500 ሽሕ ሰባት ኣብ ዝተዳለወ ዝኽሪ ተረኺቡ፡ \"ከም ሃገር ከምዚ ዓይነት ጨካን ዕጫ ክንቅበል የብልናን፤ ሓዘን'ውን ከፍዝዘና የብሉን\" ኢሉ። ኣመሪካ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝለዓለ መጠን ሞት ዘመዝገበት ሃገር ኮይና ኣላ። ኣብ ቤት-ጽሕፈት ቤተ-መንግስቲ ኣመሪካ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝነበረ ስነ ስርዓት ምብራህ ሽምዓ፡ እቲ ፕረዚደንትን ምክትል ፕረዚደንትን ምስ መጻምድቶም ናይ ሕልና ጸሎት ገይሮም። ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝርኣ ንነጀው፡ ልዕሊ 28.1 ሚልዮን ኣመሪካውያን ዝተለኸፉ ኮይኖም፤ እዚ'ውን ካብ ዓለም እቲ ዝዓበየ'ዩ። \"ሎሚ መዓልቲ ኩሉ ኣመሪካዊ ነቶም ብሞት ዝስኣንናዮም ክዝክር እሓትት\" ብምባል ዜጋታት ዝርግሐ ናይ'ቲ ቫይረስ ኣብ ምቁጽጻር ክቃለሱ ጸዊዑ። ጆ ባይደን ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ብዝሒ ኣብ ኣመሪካ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዘጋጠመ ሞት፡ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ኲናት ዓለም ከምኡ'ውን ኲናት ቬትናም ተደሚሩ ካብ ዘጋጠመ ሞት ኣመሪካውያን ዝዛየደ ምዃኑ ተዛሪቡ። \"ሎሚ መዓልቲ ብሓቂ ልቢ ዝሰብር ኣገዳሲ ናይ ታሪኽ ምዕራፍ ንዝክር ኣለና፤ 500,071 ሰባት ሞይቶም\" ኢሉ። ኣብ ጉዕዞ ህይወቱ ዝሓለፎም ዘሕዝኑ ኣጋጣሚታት ዘልዓለ ፕረዚደንት ባይደን፡ ብ1972 ዓ.ም በዓልቲ ቤቱን ሓንቲ ጓሉን ብሓደጋ መኪና ከምኡ'ውን ብ2015 ሓደ ወዱ ብመንሽሮ ሓንጎል ምሟቶም ኣዘኻኺሩ። \"እዚ ንዓይ ኣብ ውሽጢ ሓዘን ዕላማ ምርካብ እዩ ዝምህረኒ\" ኢሉ። ጆ ባይደን ቅድሚ ቃለ መሓላ ምፍጻሙ ብ19 ጥሪ 2021፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ንዝሞቱ 400 ሽሕ ዜጋታት ዝኽሪ ገይሩ ነይሩ። ኣብ ኣመሪካ ኣጋጢሙ ዘሎ ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዓለም ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ካብ ዘላ ህንዲ ክልተ ዕጽፊ ኮይኑ፡ ህንዲ 11 ሚልዮን፣ ብራዚል 10.1 ሚልዮን መልከፍትታት ኣመዝጊብን ኣለዋ። ከም ግምት ዩኒቨርሲቲ ዋሽንግተን፡ ክሳብ ሓደ ሰነ 2021 ተወሰኽቲ ኣስታት 90 ሽሕ ኣመሪካውያን ብኮሮናቫይረስ ክሞቱ'ዮም። እቲ ኢንስቲትዩት ክሳብ መወዳእታ ግንቦት፡ መዓልታዊ 500 ሰባት ከም ዝሞቱ'ዩ ዝገልጽ። ኣብዚ ሕጂ እዋን መዓልታዊ 1.6 ሚልዮን ክታበት ንኣመሪካውያን ይወሃብ ኣሎ። ይኹን'ምበር፡ ሰብ ሞያ እቲ እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ዝርግሐ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ፡ ንቁጽሪ መዓልታዊ ዘጋጥም መልከፍቲ ከዛይዶ ይኽአል'ዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም። ዝሓለፈ ሰሙን፡ ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ኣመሪካ፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ፡ ኣመሪካውያን ብህይወት ናይ ምንባር ዕድል ብሓደ ዓመት ከም ዝጎደለ ሓቢሩ ነይሩ። ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ሰነ 2020 ጸለምቲ ደቂ ተባዕትዮ እቲ ዝለዓለ ምጉዳል ካብ ዘርኣዩ ኮይኖም፡ ብህይወት ናይ ምንባር ዕድሎም ብሰለስተ ዓመት ነክዩ። ካብ ላቲን ኣመሪካ ዝውለዱ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ብ2.4 ምጉዳል ኣርእዮም።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/56165075"} {"headline":"ኣብ ህንዲ እንታይነቱ ብዘይተፈለጠ ሕማም 227 ሰባት ብጽኑዕ እንትሓሙ፡ ብውሕዱ ሓደ ሰብ ሞይቱ","content":"ኣብ ህንዲ ጠንቁ ብዘይተፈለጠ ሕማም 227 ሰባት ናብ ሆስፒታል ክኣትዉ እንከለዉ ብውሕዱ ሓደ ሰብ ከምዝሞተ ተገሊጹ። ሰብ-መዚ ህንዲ ናይቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ሆስፒታል ክድቅሱ ምኽንያት ዝኾነ ዘይተፈለጠ ሕማም፡ ጠንቁ እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ መርመራታት ይካየድ ምህላዉ ገሊጾም። እቲ ኣብ ዞባ ኣንድራ ፕራዲሽ፡ ኢሉሪ ኣብ ዝብሃል ዝተረኣየ ዘይተፈለጠ ሕማም፡ እቶም ዝሓመሙ ብርቱዕ ተምላስ ከምኡ'ውን ምልክታት ወቕዕን ውነ ምስሓትን ከምዝርኣዮም ዶኳትር ሓቢሮም። ኣብ ኢሊሩ ዝርከብ መንግስታዊ ሆስፒታል ቁጽሪ ሕሙማት ከይውስኽ ብምስጋእ ንኹሉ ዓራውቱ የዳልዎ ከምዘሎ'ውን ተሓቢሩ። እዚ ጠንቁን እንታይነቱን ዘይተፈለጠ ሕማም፡ ህንዲ ኣንጻር ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ትቃለሰሉ ዘላ እዋን'ዩ ዝኽሰት ሰሎ። ማዕከናት ዜና እታ ሃገር፡ እቶም ዘይንቡር ምልክታት ተራእይዎም ብኣንቡላንስ ተጸሮም ዝመጽኡ ዓሰርተታት ሕሙማት ናይ ኮሮንቫይረስ መርመራ ተግይርሎም ኩሎም እቲ ቫይረስ ከምዘይተረኸቦም ኣቃሊሐን። ኣብቲ እቶም ሕሙማት ደቂሶሙሉ ዝርከቡ ሆስፒታል ዝርከብ ሓላፊ ንማዕከን ዜና ኢንድያን ኤክስፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ \"ካብቶም ኣብ ሆስፒታል ተዓቒቦም ዘለዉ፡ ብፍላይ እቶም ህጻናት ኣብ ዓይኖም ብርቱዕ ቃንዛ ጀሚርዎም፡ ብድሕሪ ብርቱዕ ተምላስ ኣስዒብሎም፡ ገለ'ውን ኣብ ኮማ ኣትዮም ምጭብባጥ ናይ መትኒ ዘጋጠሞም ኣለዉ\" ኢሉ። ብዙሓት ናብ ሕክምና ምስ መጽኡ እቲ ዝርኣዮም ዝነበረ ምልክታት ሓዲገኦም ናብ ገዛ ከምዝተፋነዉ'ውን እቲ ሓላፊ ገሊጹ። ኣብ ዞባ ኣንድራ ፕራዲሽ ሚኒስተር ጥዕና ኣላ ካሊ ክሪሽና እቲ ካብቶም ሕሙማት ዝተወሰደ ናይ ደም ቅምሶ ዝኾነ ምልክታት ናይ ተላባዕቲ ሓማማት ከምዘይተረኽቦ ገሊጹ። ምኒስተር ኣላ ካሊ ክሪሽና \"ናብቲ'ቶም ሕሙማት ዝደቀስሉ ሕክምና ወግዓዊ ምብጻሕ ምስ ኣካየድና፡ እቲ ጠንቂ ዝተበከለ ማይ ወይ ኣየር'ዩ ክኸውን ዝኽእል ኢልና ገሚትና ኔርና፡ እንተኾነ ምስጢሩ ዘይተፈለጠ ሕማም'ዩ ኮይኑ ዘሎ፡ ነዚ ንምፍላጥ ከኣ ላባራቶሪ መርመራታት ይግበር ኣሎ\" ኢሉ። እንተኾነ ተላጉ ደሳም ዝተባላ ተቃዋሚ ሰልፊ እቲ ጠንቂ ብከላ ክኸውን ይኽእል'ዩ ብምባል ምስጢር ናይቲ ሕማም ንክፍለጥ፡ መንግስቲ ጽዑቕ መርመራታት ክገብር ወግዓዊ ሕቶ ኣቕሪቡ'ሎ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55211971"} {"headline":"ህንዲ፡ 'ብጉጅለ ዝተዓመፀት' ጓልኣንስተይቲ ብምሟታ ሓያል ቁጠዐ ፈጢሩ","content":"ኣብ ህንዲ ሓንቲ ጓል 22 ዓመት ኣባል ማሕበረሰብ ዳሊት ['ዘይትትንከፉ' ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝነብሩ] ብጉጅለ ድሕሪ ምዕማፃ፡ ከምዝሞተት ተገሊፁ። እዚ ሓድሽ ዜና፡ ህንዲ ብሰንኪ ናይታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ብጉጅለ ተዓሚፃ ዝሞተት ጓል 19 ዓመት፡ ብናዕቢ ኣብ ትናወፀሉ ዘላ ግዘ እዩ ዝስማዕ ዘሎ። መጥቃዕቲ ክልቲኤን ደቂኣንስትዮ ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት እታ ሃገር 'ኡታር ፕራዴሽ' እዩ ተፈፂሙ። ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ብጉጅለ ተዓሚፃ ዝሞተት ካልአይቲ ጓልኣንስተይቲ ድማ፡ ኣብ መላእ ህንዲ ቁጠዐን ናዕብን ኣኸቲሉ'ሎ። ፖሊስ፡ ነቲ ኣብ ዞባ ባላምፑር ዝተፈፀመ ምዕማፅን ቅትለትን እታ ጓል 22 ዓመት ጥርዓናት ብምምዝጋብ፡ ርክብ ነይርዎም ንዝበሎም ክልተ ደቂተባዕትዮ ኣሲሩ። እዚ ሓድሽ ምዕማፅን ቅትለትን፡ ካብቲ ጓል 19 ዓመት ጓል ተዓሚፃ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ዝሞተትሉ ዞባ ሃትራስ፡ 500 ኪሎሜትር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢ እዩ ተፈፂሙ። እታ ቀዳመይቲ ግዳይ ድሕሪ ምዕማፃ ብብርቱዕ ተጎዲኣ ኣብ ሆስፒታል ደልሂ ንክልተ ሰሙን ህይወታ ክተድሕን እናተቓለሰት ከላ እያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ሞይታ። እታ ካልአይቲ ግዳይ ከኣ ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ፡ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ዝሞተት እንትትኾን፡ መራኸቢ ሓፋሽ እታ ሃገር ግና፡ እዚ ፆታዊ መጥቃዕትን ኣብ ልዕሊ እቶም ከም ርኹሳት (ዘይፅሩያት) ተገይሮም ዝሕሰቡ ‘ካስት’ ተባሂሎም ዝፅወዑ ህንዳውያን ንዝፍፀም ግህሰት፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከቢድ ተቓውሞ ምስ ኣልዓለ እዩ ነዚ ፍፃመ ፀብፂብዎ። ስነ-ስርዓት ቀብሪ ናይታ ብጉጅለ ተዓሚፃ ዝሞተት ጓል 19 ዓመት፡ ብዘይፍቓድ ስድራ ብምፍፃሙ ድማ ስድርኣ ንፖሊስ ከሲሶም። ስድራ ግዳይ፡ ሬሳ ጓሎም፡ ብመሰረት ስነ-ስርዓት ቀብሪ ህንዳውያን፡ ብዘይ ፍቓዶም ብፖሊስ ከምዝተቓፀለ ዝገለፁ እንትኾኑ፡ ተሓለቕቲ ነቲ ተግባር፡ “ ኢ-ሰብኣዊ ውሳነ” ብምባል ተቓዊመሞ። ፖሊስ ግና ፍቓድ ስድራ ከምዘረኸበ እዩ ገሊፁ። ጋዜጠኛ እታ ሃገር ሳሩባህ ሚሽራ ኣብታ ካልአይቲ ግዳይ ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ ባላምፑር ፖሊስ ብፃዕቒ ተዋፊሩ ከምዝነበረ ተዛሪቡ። “ሰብመዚ እታ ግዳይ ከምዝተዓመፀት ኣየረጋገፁን፡ ግን ድማ ነቲ ብስድራ ዝቐረበ ክሲ ኣይከሓዱን” ኢሉ። ወላዲት እታ ጓል 22 ዓመት ግዳይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ንምዝገባ ትምህርቲ ዝኸደት ጓለን፡ ኣብ ልሙድ ሰዓታ ናብ ገዛ ብዘይምምላሳ ስደራ ክሻቐሉ ከምዝጀመሩ ብምሕባር፡ “ናብ ገዝኣ ክትምለስ ከላ፡ ሰለስተ ኣርባዕተ ዝኾኑ ደቂተባዕትዮ ኣብ መገዲ ብምኽታር ናብ መኪንኦም በስገዳድ ኣእትዮማ” ዝበላ እተን ወላዲት፡ ጓለን ቅድሚ ምዕማፃ ሃለዋታ ክትስሕት ከምዘደንዘዝዋ ገሊፀን። “ጓለይ እግራን ሽምጣን ሰይሮማ እዮም። ብድሕሪኡ ድማ ብጋሪ ገይሮም ናብ ገዛ ሰዲዶማ። ናብ ገዛ ክትኣትዉ ከላ ደኺማ ነይራ። ጓልና ክትዛረብ ኮነ ክትለዓል ኣይከኣለትን። እንታይ ከምዝኾነት እንተሓተትናያ’ውን ክትምልስ ኣይከኣለትን” ብምባል እቲ ኣብ ልዕሊ ጓለን ዝተፈፀመ ግፍዒ ተዛሪበን። ድሕሪ 10 ደቒቕ ግና ጓለን፡ ኣብ ከብዳ “ናይ ምቅፃል ስምዒት” ክስመዓ ምስ ጀመረ ክትቅንዞን ስድርኣ ብቅልጡፍ ናብ ሆስፒታል ክወስድዋን ክትምሕፀን ጀሚራ። “ኩነታታ ከቢድ ስለዝነበረ ግና፡ እቲ ዶክተር ኣብቲ ከተማ ናብ ዝርከብ ዓብይ ሆስፒታል ክንወስዳ ሓቲቱና፤ ኣብ መገዲ ከለና ግና ሞይታ” ብምባል ወላዲታ ተዛሪበን። ሓደ እዋን ሚኒስቴር እታ ሃገር ዝበረን ሕዚ ምስ ተቓዋሚ ውድብ BJP ዝተፀንበረን ኣክሌሽ ያዳቭ፡ “ድሕሪ ሃትራስ፡ ካልእቲ ጓልና ኣብ ባላምፑር ብጉጅለ ተዓሚፃን ኣብ ልዕሊኣ ኣረሜናዊነት ተፈፂሙን ኣሎ” ብምባል፡ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብዚ ፍፃመ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ብመገዲ ትዊተር ፀዊዑ። ሰብመዚ እታ ሃገር ድማ ነቲ ኣብ ህንዲ ኣጋጢሙ ዘሎ ቁጠዐን ናዕብን ንምቁፅፃር፡ ልዕሊ ኣርባዕተ ሰባት ከይእከቡ ዝእግድ ሕጊ ኣንቢሮም ኣለዉ። ዳሊት፡ ኣዝዮም ጭቁናት ዜጋታት ህንዲ እንትኾኑ፡ ኣብ ህንዲ ቅድሚ ሕዚ ብዝነበረ ምደባ ማሕበረሰብ፡ ኣብ ትሑት ብርኪ ዝተሰርዑን ዘይፅሩያት ብዝብል ድማ፡ ‘ዘይትንከፉ’ ማሕበረሰብ ‘ካስት’ እዮም። ዋላ’ኳ ሕጊ እታ ሃገር ነዞም ኣስታት 200 ሚልዮን ብዝሒ ዘለዎም ‘ዳሊት’፡ ከምዝከላኸለሎም ዝግለፅ እንተኾነ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ግና በብመዓልቱ ግዳያት ኣድልዎን መጥቃዕትን ምዃኖም እዩ። ኣብ 2012 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ ደልሂ ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ ብጉጅለ ተዓሚፃ ካብ ትቕተል ንነዘ፡ ኣብ ህንዲ ምዕማፅን ፆታዊ ጥቕዓትን ዓብይ ትኹረት ዝተውሃቦ እንትኸውን፡ እዚ ኣጋጣሚ ገዚፍ ተቓውሞ ዘስዓበን እታ ሃገር ናይ ምዕማፅ መቕፅዒ ሕጋ ክትቅይርን ኣገዲዱ እዩ። እንተኾነ ሕዚ’ውን፡ ኣብ ህንዲ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ዝፍፀሙ ገበናት ኣይነከዩን።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54372039"} {"headline":"ንመሰል ደቀንስትዮ ህንዲ ዝተቓለሰት ከፋቲት በሪ ጠበቓ","content":"እዛ ብለበዳ ኮቪድ ዝጸልመተት ዓመተ 2020፡ መሰላት ደቀንስትዮ ዝተኸብረላ መበል 100 ዓመት ምዃና ክትዝክር ቀሊል ኣይኮነን። ደቀንስትዮ ኣመሪካ መሰል ምድማጽን ምምራጽን ካብ ዝጎናጸፋ 100 ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ መጀመርታ ናይ ሕጊ ተማሃሪት ጓለንስተይቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ክትኣቱ ካብ ዝፍቀዳ እውን 100 ዓመት መሊኡ ኣሎ። እታ ኣብ ቤት ፍርዲ “ሊንኮሊንስ ኢን ለንደን” ዝቐረበት ተማሃሪት ሕጊ ህንዳዊት እያ ነይራ። ንሳ እታ ኣብ 1924 ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቦምበይ ክትማጎት ዝተፈቕደላ ናይ መጀመርታ ሞያዊት ጓለንስተይቲ ጠበቓ ነበረት። ሚታን ላም፡ ኣብ 1898 ካብ ርኹባትን ገስገስትን ስድራ-ቤት ተወሊዳ። ኣብ 1911 ምስ ወላዲታ ሀራባይ ታታ ንዕረፍቲ ናብ ካሽሚር ምስ ከደት ምስታ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ንመሰል ምድማጽ ደቀንስትዮ እትቃለስ ሕልፍቲ ኣንስታዊት (ፈሚኒስት) ሶፊያ ዱሊፕ ሲንግ ተራኺባ። ላምን ወላዲታ ታታን፡ በቲ “ምርጫ ንደቂ ኣንስትዮ” ዝብል ጭርሖ ዝተለጠፎ ሕብራዊ ቦርሳ ሳንግ ተመሲጠን ኣብቲ መሰል ንደቀንስትዮ ህንዲ ዝብል ወፍሪ ቀልጢፈን ጥሒለን። ኣብታ ግዝኣት ህንዲ፡ ኣብ መንጎ እቶም ሃገራውያን ተቓለስቲ፡ ጉዳይ ምርጫ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣዝዩ ኣካታዒ ጉዳይ ኮነ። መሰል ምምራጽ ደቂ ኣንስትዮ’ዶ ይቐድም ወይስ ሕቶ ናጽነት ዝብል ዓቢ ክትዕ ተፈጥረ። ላም፡ “ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ጠለባት ተገራጫውነት የለን” ብማለት ተኻትዐት። ነቲ ዕቃበታት ደቂ ተባዕትዮ ኣንጻር መሰል ምርጫ ደቂ ኣንስትዮ “ናይ ሳምና ዓፍራ እዩ” ክትብል ገለጻቶ። “ደቂ ተባዕትዮ ‘ምምሕዳር ሃገር ካብ ልደትና እተዋህበና መሰል እዩ” ክብሉ እንከለው፡ ታታ፡ ከኣ ብ1918፡ ናይታ ውርይቲ ሃገራዊት ተቓላሲት ሳንግ፡ መሰል ደቀንስትዮ ጭርሖ ብምልዓል፡ “ንሕና እውን ናይ ምምራጽ መሰል ካብ ልደትና እተዋህበና እዩ” ብምባል ድምጻ ኣስምዐት። ኣብ ቀውዒ ናይ 1919፡ ኣብ ቦምበይ ዝነበራ ጉጅለ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብቲ ፓርላማ ዓባይ ብሪጣንያ ብዛዕባ ጉዳይ ምርጫ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካዊ ሕዳሰ ህንዲ ግምት ክገብረሉ ኣብ ዝመደበሉ እዋን ወከልተን ንለንደን ሰዲደን ነይረን። እዚ ከኣ ብጽገና ሞንተጉ ቻልምስ ፎርድ ይጥቀስ። ጓል 21 ዓመት ላምን ወላዲታ ታታን ብፍታወን ኣብ ቃልሲ መሰል ምድማጽ ደቀንስትዮ ተወፍየን ክሰርሓ ጀመራ። ንዓዲ እንግሊዝ ንክኸዳ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ዕድል ምስ ተዋህበን፡ ነቲ ኣብ ፓርላም ከቕርበኦ ዝመደባ ጭብጥታት ብመርከብ እንተጓዕዛ እየን ኣሰናዲአነኦ። ታታን ላምን፡ ህንዲ ብጾታ ኣመኻንያ ነተን ፍርቂ ኣካል ሕብረተ ሰብ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ እንተደኣ ኣግሊላተን፡ ትርጉም ዘለዎ ፖሊቲካዊ ምምሕያሽ ክመጽእ ኣይክእልን እዩ ኢለን ተማጎታ። “ብዘይ ምትሕብባር ደቂ ኣንስትዮ ለውጢ ከተምጽእ ምፍታን ኣብ ሑጻ ቤት ከም ምስራት እዩ ዝቑጸር ክብላ ኣረድኣ። ዋላ’ኳ ሽዑ ክስመዓን ክዕወታን እንተዘይከኣላ እቲ ዘቕረባኦ መርትዖታትን መረዳእታትን ግን ፓርላማ ብሪጣንያ ዕሽሽ ኢሉ ኣይሓለፎን። እቲ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምምራጽ መሰል፡ ዞባ ህንዲ ክውስኖ ሓዲጎምዎ። ኣብ 1921 ከኣ ክልቲአም ናይ ቦምበይን ማድራስን መራሕቲ ንደቀንስትዮ፡ ድሩት ዝኾነ ናይ ምድማጽ መሰል ኣፍቂዶም። እንተኾነ ስበ-ስልጣን ብሪጣንያ እቲ ኣድማሳዊ መሰል ፍቓድ መረጻ “ንህንዲ ሕማቕ እዩ” ኢሎም እዮም ዝካትዑ ነይሮም። ንመሰል ምድማጽ ደቀንስትዮ ህንዲ ዝቃለሳ ዝነበራ ኣደን (ታታን) ጓልን (ላምን)፡ ካብ ህዝቢ ዓባይ ብሪጣንያ ዓቢ ኣድናቖት ረኺበን። ካብቲ ዳሕራይ ቀዳማይ ምኒስተር ብሪጣንያ ዝኾነ ራምሰይ ማክዶናልድን ካብታ ኣብነታዊት ተሓላቂት ደቂ ኣንስትዮ ሚልሰንት ፋውሴትን እውን ልዑል ደገፍ ረኺበን። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንመሰል ምድማጽ ደቀንስትዮ እትጣበቕ ዝነበረት ተወላዲት ንጉሳዊ ቤት ሲክ፡ ንግስቲ ሶፍያ ዱሊፕ ሲንግ፡ ንላም ካብ ዝጸለዋ ስሙያት ተቓለስቲ ደቀንስትዮ ሓንቲ ኢያ። ላም፡ እቲ እተካይዶ ዝነበረት ምንቅስቓስ መሰል ምርጫ ደቂ ኣንስትዮ፡ ድሒሩ ናብ ናይ ሕጊ ዓለም ከም እተምርሕ ገይሩዋ። ኣብ ለንደን ትምህርቲ ሕጊ ኣጽኒዓ። ካብ ዩኒቨርሲቲ ኤልኤስኢ ለንደን ብዓውደ ቁጠባ ናይ ማስተርስ መዓርግ ረኺባ። ኣብ 1923 ኣብ ብሪጣንያ፡ ኣብ ዓውደ ጥብቅና ዝተዋስአት ፈላሚት ህንዳዊት ጓል ኣንስተይቲ ተባሂላ ኣፍልጦን ብልጫን ተዋሂባ። እታ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ልዑል ስምን ክብርን ዝረኸበት ክኢላ ሕጊ ኣብ ታሕሳስ 1923 ብመርከብ ናብ ህንዲ ተመሊሳ። ኣብታ ዓመት እቲኣ መንግስቲ ህንዲ፡ ደቀንስትዮ ህንዲ ከም ጠበቓታትን ተኸራኸርቲ ሕግን ንከይሰርሓ ኣጽኒዑዎ ዝጸንሐ ሕጊ ስለዘልዓሎ ንላም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ነይሩ። ላም፡ ኣብቲ ብደቂ ተባዕትዮ ጠበቓታትን ኣኽበርቲ ሕግን ዝመልአ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቦምበይ እታ እንኮ ጓል ኣንስተይቲ ጠበቓ ስለዝነበረት ከቢዱዋ ነይሩ። “ነቶም ብማዕጾ ዝቀላቀሉ ብጾት ምስ ረኣኹ፡ ንነብሰይ ንፈለማ እዋን ኣብ መካነ እንስሳታት ከም ዝኣተወ ሓድሽ እንስሳ ኮይኑ ተሰሚዑኒ” ብምባል ትዝተኣ ትገልጽ። “ጽላሎተይ ካብታ ላይብረሪ ናብቲ ሓባራዊ ክፍሊ ምስ በጽሐ፡ ደስ ዘይብለካ ጸጥታ ኣሎ፡ እዚ ከኣ ብዛዕባይ ኣዝየ ክነቕሕ ይሕግዘኒ ነይሩ” ትብል። ላም ኣብ ቤት ፍርዲ ቦምበይ ክትጣበቕ ምስቀረበት እቲ ጸላኢ ደቂ ኣንስትዮ ብኣሽካዕላል ክድህላ ፈቲኑ ይኽውን እዩ - እንተኾነ ላም ብቐሊለ ትደንን ሰብ ኣይነበረትን። ብመሰረት ሓበሬታ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ላም ንሓደ ንጹርን ዘየማትእን ጉዳይ ዘለዎ ዝወከለ ጠበቓ ክትገጥም ተገዲዳ። እቲ ጠበቓ “ዓሚለይ ጽቡቕ ጉዳይ ስለዘለዎ ክሰዓር ኣይኽእልን’ዩ፡” ዝብል እምነት ዝነበሮ እዩ። “ይኹን እምበር ነቲ መጻርርቱ ብጓል ኣንስተይቲ ተሳዒርካ ኢሉ ከዋርዶን ከሕፍሮን ይደሊ ምንባሩ ይሕበር”። ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ከኣ ላም፡ ሓደ ጽኑዕ ዝኾነ ሕጋዊ ሽም ክትምስርት ክኢላ። ንሳ ብዝተፈላለየን ሕውስዋስን ዝኾኑ ጉዳያት፡ ማለት ካብ ተምየንቲ ገንዘብ ክሳብ ሕጋውነት ናይ ኣይሁዳዊ ምሕጻይ ንምርጫ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ጥብቅና ቆይማ ኣብ ቤት ፍርዲ መጒታ። ካብ ቤት ፍርዲ ወጻኢ ከኣ፡ ንጾታዊ ኣድልዎ ኣብ መርዓን ውርሻን ዝምልከቱ ጉዳያት ቅርጺ ኣብ ምትሓዝ ትሕግዝ ነይራ። ከምኡ’ውን ውፍይቲ ተቓላሲት ንመሰልን፡ ኣፍራዪት ጠበቃ ኣብ ጉዳያት መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ክትከውን በቒዓ። ነዚ ሕጋዊ ምንቅስቃስ ንለውጢ ከኣ ምስቲ ኣብ ባይታ ዝነበረ ማሕበራዊ ስራሕ ብምውህሃድ፡ ኣብ መንጎ እቲ ናይ ቦምበይ ምሁራት ብቅብኣ ዝስእልዎም ሻውላት እናተመላለሰት ትገብሮ ነይራ። ላም እቲ ድኻታት ሕብረተሰብ ህንዲ ዝነብሩ ትሕተ ቅርጽን፡ ጥዕናዊ መሳርሒታትን ኣመሓዪሻ፡ ንገለ ክፋል ስደተኛታት ከኣ ክጣየሱ ሓጊዛ። ”ጉባኤ ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ህንዲ” ብዝብል ከኣ ብርክት ዝበሉ ንጥፈታት ማሕበራዊ ድሕነት ኣተኣታትያን መሪሓን። ኣብ 1947 ዓመተ ናጽነት ህንዲ፡ ላም ኣብ ርእሲ እቲ ዝጸንሓ ህቡቡነትን ተቐባልነትን ብዝገበረቶ ጻዕሪ መሊሳ ደሚቓ። ላም ኣብ ህንዲ ፈላሚት ምስሌነ ከተማ ቦምበይ ኮይና ተሸይማ። ድሕሪ ገለ ዓመታት ከኣ ከም ወኪል ደቂ ኣንስትዮ ህንዲ ኮይና ኣብ ምሉእ ዓለም ክትዛወር ምስ ጀመረት ሓሓሊፉ ድንጻወ ከስዕብ ጀሚሩ። ንሳን-ፍራንሲስኮ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክትበጽሕ ኣብ ዝኸደትሉ እዋን፡ እቲ ምስሌነ ናብቲ ናይታ ከተማ ቤት ማእሰርቲ ክትርኢ ይወስዳ ‘ሞ በትሪ ፖሊስ ከኣ ሂብዋ። ኣብ ህንዲ ግን ምስሌንነት ብቐንዱ ናይ ክብሪ ሽመት እዩ። ብዙሓት “ጓል ኣንስተይቲ ምስሌነ ክትከውን ምኽኣላ ብጣሚ ተደኒቖም። ምኽንያቱ ናይ ኣሜሪካ ምስሌነታት ምስ ብረት ሕሉፍ ሌላ ዘለዎም ኣዝዮም ቅልጡፋት ፖሊስ እዮም። ላም ግን ኪኢላ ናይ ሕግን ተቓላሲት መሰልን እያ። ኣብ ዝኽራ ከኣ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ትጠቅስ። ላም፡ ብ1981 ቅድሚ ምሟታ፡ ተሳትፎ ደቀንስትዮ ኣብ ሕግእ ጥብቅናን ንፖለቲካውን ማሕበራውን ሕዳሴ ከለዓዕሎ ይኽእል ብዝብል ተስፋ ንብዙሓት ደቀንስትዮ ወለዶታት ተሓለቅቲ መሰላት ንኪኾና ምሂራ እያ። ስርሓን ስራሕ እተን ብኣማኢት ዝቑጸራ ዘይፍለጣ መራሕቲ ደቂ ኣንስትዮን: ደቀንስትዮ ህንዲ ሕጊ ንክመሃራን ኣብ ሞያ ሕጊ ንኽነጥፋን ልዑል መገዲ ጸሪጉ እዩ። እንተኾነ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ ከምዘነጽሮ፡ ሓደ ሓደ ዓበይቲ ናይ ሕጊ ትካላት ህንዲ ኣዝዩ ዘደንቕ ጾታዊ ማዕርነት ከርእያ እንከለዋ፡ እቲ ናይታ ሃገር ሕጋዊ ክኢላታት፡ ገና ብደቂ ተባዕትዮ ዝተዓብለለ ኮይኑ ይርከብ። ልክዕ ቅድሚ ሓደ ሚእቲ ዓመት ኣቢሉ፡ ህንዳዊት ተቓላሲት ሰብኣዊ መሳላት ላም፡ ኣንጻር’ቲ ኣብ ጾታ ዝተመርኮሰ ልብኻ ዝትንክፍ ተነጽሎ “ዝኾነ ፈተነ ከይተገብረ ከመይ ጌርካ ደቂ ኣንስትዮ ብቑዓት ኣይኮናን ኢልካ ክትእውጅ ትኽእል?” ዝብል ሕቶ ብምልዓል ተማጒታ ነይራ። ከምዚ ዝኣመሰለ ቃላት እምበኣር ሎሚ፡ ነተን ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ኮነ ካብኡ ወጻኢ፡ ኣብ ኣባታዊ ኣተሓሳስባ ዓሪደን ዘለዋ ደቀንስትዮ መልሲ ዝህብ እዩ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55451441"} {"headline":"ዩትዩብ ምስ ቲክቶክ ዝወዳደር ሓዲሽ መተግበሪ ኣብ ህንዲ ክፍትን እዩ","content":"ዩትዩብ ምስ ቲክቶክ ዝመሳሰልን ዝወዳደርን ሓዲሽ መተግበሪ ሰሪሑ ኣብ ህንዲ ክፍትኖ ምዃኑ ገሊጹ። ዩትዩብ ኣብዚ ሓዲሽ ዝዝርግሖ ዘሎ መተግበሪ ሓደ ተንቀሳቃሲ ምስሊ ካብ 15 ካልኢት [ሰከንድታት] ዘይበዝሕ ገይሩ ከምዘዳልውን ምስቲ ብቻይና ዝውነን ቲክቶክ ዝመሳሰል ከምዘለዎን ገሊጹ’ሎ። ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ሞንጎ ህንድን ቻይናን ኣብ ዶባትን ዘሎ ወጥሪ ምስ ወሰኸ፡ ህንዲ ንቲክቶክን ካልኦት 58 ብቻይና ዝውነኑ መተግበሪታትን ኣብ ህንዲ ከይሰርሕ ከምዝኣገደቶ ዝዝከር እዩ። ህንዲ ሓንቲ ካብተን ዝበዝሑ ዓማዊል ቲክቶክ ዘለዉዋ ሃገር ኮይና ኣብ ህንዲ ልዕሊ 120 ሚልዮን ተጠቀምቲ ቲክቶክ ነይሮም። ዩትዩብ ነዚ ሃጓፍ ተጠቂሙ’ዩ ነቶም ዓማዊል ቲክቶክ ዝነበሩ በዚ ሓዲሽ ዝሰርሖ መተግበሪ ከስልሎም ወጢኑ ዘሎ፡ እንተኾነ ኣብ ውሽጢ ህንዲ ዝፈረያ ተመሳሰልቲ መተግብሪታት ስለዘለዋ ንዩቱዩን ዓቢ ብድሆ ክኾኖ ከምዝኽእል ይግለጽ። ምክትል ፕረዚደንት፡ ዩትዩብ ክሪስ ጀፍ ኣብ ዝሃቦ መግልጺ “ሓጺር ተንቀሳቃሲ ምስሊ ስኢሎም ክጽዕኑ ንዝደልዩ ስነጥበባውያንን ግዱሳትን ክኸውን ኢልና ኢና ኣዳሊናዩ፡ እቲ ስእሊ ድማ ቅልል ዝበለ እዩ ብሞባይልካ ገይርካ ትስእሎ” ኢሉ። እቲ ሓዲሽ መተግበሪ፡ ዝተፈላለየ ቪድዩ ተለጋግበሉ፡ ነቲ ቪድዩ መቀልጠፍን መዝሓልን ዝኣመሰ ነቲ ቪድዩ ግርማ ዝህቡ ነገራት ተዳልየሙሉ ከምዘለዉ ተገሊጹ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብቲ መተግበሪ ኩሉ ሰብ ክጥቀመሉ ዝኽእል ዝተኸዘነ ሓጸርቲ ደርፍታት ከምዘለዎ’ውን ክሪስ ጀፍ ሓቢሩ። እዚ ዩትዩብ ዝዝርግሖ ዘሎ ንቲክቶክ ክትክእ ትጽቢት ተነቢርሉ ዘሎ ሓዲሽ መተግበሪ ህንድን ኣሜሪካን ምስ ጸጥታ ዜጋታትን ኣተሓሒዘን ኣብ ልዕሊ ፍርያት ቻይና ዝኾነ ቲክቶክ ዘለወን ስክፍታ ድሕሪ ምግላጸን እዩ ዝዝርጋሕ ዘሎ። ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ‘ብዳታ’ ዝጥቀሙ ዓማዊል ቲክቲክ መንግስቲ ቻይና ምስጢራቶም ክፈልጦ ይኽእል’ዩ ዝብል ስክፍታ’ዩ ዘለዎ። መንግስቲ ህንዲ’ውን ብተመሳሳሊ ምኽንያታት እዩ ኣብ ወርሒ ሰነ ቲክቶክ ኣብ ሃገሩ ከይሰርሕ ኣጊዱ። መንግስቲ ህንዲ ኣብ ሞንጎ ሃገሩን ቻይና ኣብ ሂማልያ ከባቢ ጋልዋን ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ምስ ተገበረ’ዩ ንቲክቶክ ብቅጽብት ኣብ ህንዲ ከይሰርሕ ኣጊድዎ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54159028"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ: ቅልውላው ኮቪድ ህንዲ ንምንታይ እዩ ንመላእ ዓለም ኣሻቓሊ ኮይኑ?","content":"ህንዲ ምስቲ ዝዓርግ ዘሎ ብዝሒ መልከፍቲ ኮቪድ ኣብ ቃልሲ ተሸሚማ ኣብ እትርከበሉ እዋን እቲ ካብ ህንዲ ዝወጽእ ዘሎ ኣሰቃቒ ወረታት ንዓለም ኣሰንቢዱ ኣሎ። እቲ ለበዳ ግና ንህንዲ ጥራይ ዘይኮነ ንመላእ ዓለም እዩ ኣሻቒሉ ዘሎ። \"እቲ ቫይረስ ብዶብ፡ ብብሄር፡ ብዕድመ፡ ብጾታ ኮነ ብሃይማኖት ኣይድረትን እዩ\" ትብል ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዋና ተመራማሪት ዶክተር ሶምያ ስዋሚናታን። ቀጺላ'ውን \"እቲ ሕጂ ኣብ ህንዲ ኣጋጢሙ ዘሎ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘጋጠመ እዩ\" ትብል። ዓለም ክሳዕ ክንደይ ዝተኣሳሰረት ከም ዝኾነት እቲ ለበዳ ኣርእዩና እዩ። ሓንቲ ሃገር ልዑል መጠን መልከፍቲ እንተኣርእያ፡ ናብ ካልኦት ሃገራት ክዝርጋሕ ልዑል ተኽእሎ እዩ ዘለዎ። ወላ ቀይድታት መገሻ፡ ተደጋጋሚ መርመራን ውሸባን እንተሎ'ውን መልከፍቲ ክልሑኽ ይኽእል እዩ። ሓደ ገያሻይ ካብቲ ልዑል መልከፍቲ ዘለዎ ከባቢ እንተመጺኡ ድማ ነቲ ቫይረስ ናይ ምስካም ተኽእሎኡ ዕዙዝ እዩ። ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ኒው ደልሂ [ህንዲ] ናብ ሆንግ ኮንግ ኣብ ዝነበረ በረራ 50 ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባት ተረኺቦም። ምስቲ ናይ ህንዲ ልዑል መጠን መልከፍቲ፡ ካልእ ዘሻቕል ጉዳይ'ውን ኣሎ፡ ሓድሽ ዓሌት እቲ ቫይረስ። ኣብ ህንዲ ቢ.1.617 ዝተሰምየ ሓድሽ ዓሌት እቲ ቫይረስ ተቐልቂሉ ኣሎ። ኣብ ኣንፊ እቲ ቫይረስ ብዘሎ ክልተ ቀንዲ ልውጠት፡ ገለ ወገናት \"ካዕቦ ቅዩጥ\" ብዝብል ይጽውዕዎ። ካብቲ ካልእ ልዕል ዝበለ ናይ ምምሕልላፍ ዓቕሚ ከም ዘለዎን ኣብ ሰብነትና ዝርከቡ ሕማም ተኸላኸልቲ ኣካላት ነቲ ቫይረስ ንምዕጋት ከም ዝጽገሙን ገለ ናይ ላቦራቶሪ ምርምራት የርእዩ። ንናይ ኣካላትን ዓቕሚ ምክልኻል ሕማማት ክሳዕ ክንደይ ከም ዝጎድኦ ንምፍላጥ ግና ሊቃውንቲ ምርምራቶም ይቕጽሉ ኣለው። ኣብ ኢንስቲትዩት ዌልካም ሳንገር፡ ዳይሬክተር ተበግሶ ጂኖሚክስ ኮቪድ-19 ዝኾነ ዶክተር ጀፍ ባረት፡ ነቲ ቫይረስ በቶም ክታበታት ደው ምባል ከም ዘይከኣል ይነግር። \"ብጥንቃቐ ክንርእዮ ከም ዘሎና እኣምን፤ ግና ብዙሕ ዘሻቕል ኣይኮነን\" ኢሉ። ኣብ ሓንቲ ሃገር ብዝሒ መልከፍቲ እናዛየደ ብዝኸደ መጠን ግና፡ ሓድሽ ዓሌት ናይ ምቕልቓል ተኽእሎ እናበረኸ'ዩ ዝኸይድ። ምኽንያቱ፡ ነፍሲ ወከፍ መልከፍቲ እቲ ቫይረስ ክፈልቕ ዕድል ስለዝህብ ኮይኑ፤ እቲ ቀንዲ ዘሻቕል ድማ ንኣድማዕነት ክታበታት ዘዳኽም ሕዋስ ክቕልቀል ስለ ዝኽእል እዩ። \"ሓደሽቲ ዓሌት ከይቅልቐሉ እንዓግተሉ እቲ ቀዳማይ መገዲ እቲ ቫይረስ ኣባና ከይደጋገም ብምክልኻል እዩ. . . ስለዚ ነቲ ሓድሽ ዓሌት ንምቁጽጻር እቲ ዝበለጸ መገዲ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ንዘሎ ብዝሒ እቲ ሕማም ምቁጽጻር\" ምዃኑ ዳይሬክተር ማሕበር ኮቪዲ-19 ጂኖሚክስ ብሪጣንያ ዝኾነት ፐሮፌሰር ሻሮን ፒኮክ ገሊጻ። ስጉምትታት ዕጽዋን፡ ማሕበራዊ ርሕቀትን ነዚ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም - ግና ክታበት'ውን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እታ ሃገር መበቆል ናይቲ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ኣለው ዝበሃሉ ኣፍረይቲ ክታበት ዝኾነ 'ኢንስቲትዩት ሴረም ህንዲ' እኳ እንተኾነት መስርሕ ምኽታብ ኣብ ህንዲ ዝሕቱል እዩ ዘሎ፤ 10% ካብ ብዝሒ ህዝባ ቀዳማይ ክታበት ክትህብ እንከላ እቶም 2% እዮም ምሉእ ክታበት ወሲዶም ዘለው። ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ኣብ ህንዲ ቁጽሪ መልከፍቲ ክዓርግ ምስ ጀመረ፡ ሰብ መዚ ንሰደድ ክታበት ኦክስፎርድ ኣስትራዘኔካ ከም ዝጎድል ገይሮም። እዚ'ውን ንዓለም ዘሻቐለ ካልእ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። ህንዲ ንዝበዝሕ ፍርያታ ናብ ውሽጣዊ ጥቕሚ ክተውዕል ከላ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ዝርግሐ ክታበት ጽልዋ ከም ዝፈጥር ርዱእ እዩ። ንህልው ኩነታት ህንዲ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ፡ ቀዳምነት ክወሃባ ከም ዝግባእ ሊቃውንቲ ይገልጹ። \"መጠን ክታበት ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ፡ ብዕጽፊ ክነዕብዮ የድልይ፤ እንተዘይኮይኑ እቲ ቫይረስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ንምስጋር ዝከኣሎ ኩሉ ክገብር እዩ\" ትብል ስዋሚናታን። እቲ ቫይረስ ሓንቲ ሃገር ድሕሪ ሓንቲ ሃገር ኣብ ዘዕንወሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ዙርያ ዓለም መጠን መልከፍቲ ዝኾነ ናይ ምጉዳል ምልክት ኣየርኣየን ኣሎ። እቲ ኣብ ህንዲ ዘሎ ኩነታት፡ ውሕስነት ኩላትና ክሳዕ ዝረጋገጽ፡ ወላ ሓደ ውሑስ ከም ዘይከውን ዘዘኻኽረና እዩ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56911524"} {"headline":"ህንድን ኤርትራን፡ ኣብ ብዙሓት ጽላታት ንኽተሓጋገዛ ዘክእል ዘተ ከምዝገበራ ተገሊጹ","content":"ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ህንዲ ዶክተር ኤስ ጃይሻንካር፡ ህንድን ኤርትራን ንተኽእሎታት ምትሕግጋዝ ክልቲአን ሃገራት ኣመልኪቶም ምስ ሚኒሰተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ከምዝተዘራረቡ ገሊጹ። ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝሓቆፈ ላዕላዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ናይ 4 መዓልታት ናይ ሰራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም 7 ሚያዝያ ናብ ህንዲ ከምዝኣተወ ዝዝከር እዩ። ሚኒሰትር ዜና የማነ ገብረመስቀል ትማሊ ኣብ ትዊተር ከምዝሓበሮ፡ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ሚኒሰተር ውሽጣዊ ጉዳያት ህንዲ ዶክተር ኤስ ጃይሻንካርን ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ህንዲ ሽሪ ኣጂት ዶቫል ተራኺቦም ኣብ ክልትኣዊ ምትሕግጋዝን ኣብ ኣገደስቲ ዞባውን ዓለማውን ጉዳያትን ኣመልኪቶም በይንኣዊ ዘተ ከምዘካየዱ ገሊጹ። ሚኒሰተር ውሽጣዊ ጉዳያት ህንዲ ዶክተር ኤስ ጃይሻንካር ብወገኑ፡ ምስ ሚኒሰተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ተተካኢ ጽዓት፡ ትምህርታዊ፡ ህንጻ፡ ጥዕና፡ ዕደናን ድሕነት ማሪታይምን ዘሎ ተኽእሎታት ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ኣመልኪቶም ከምዝዘተዩ ኣብ ትዊተር ገሊጹ። ብመሰረት መንግስቲ ህንዲ ኣብ 18 ሃገራት ኣፍሪቃ ሓደሽቲ ኤምባሲታት ንምውጻእ ዘውጽኦ ውጥን፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ 26 ነሓሰ 2019 ኤምባሲ ከምዝኸፈተን ኣምባሳደር ሽሪ ሱብሃሽ ቻንድ ኣምባሰደር ህንዲ ኣብ ኤርትራ ብምዃን ናይ ስራሕ ወረቐቱ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከምዘረከበ ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ 2020፡ መንግስቲ ህንዲ፡ ንኤርትራ፣ ሱዳን፣ ጅቡቲን ደቡብ ሱዳንን ናይ መግቢ ሓገዝ ገይሩ ነይሩ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ህንድን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ንግዳውን ዲፕሎማስያውን ዝምድና ከምዝነበረን ይንገር። ኤርትራ ካብ ህንዲ፡ መድሃኒት፡ ክዳውንቲ፡ ናይ ኤልክትሪክ ኣቝሑን ሃለኽቲ ነገራትን ከም እትሽምትን፡ ህንዲ ብወገና ካብ ኤርትራ ቆርበትን ካልኦት ጥረ-ነገራት ክትሽምት ምጽንሓ ጸብጻብ መንግስቲ ህንዲ ይጠቅስ። ኣብ ኤርትራ ካብ መወዳእታ ተስዓታት ጀሚሮም ብዙሓት ህንዳውያን ኣብ ኤርትራ ከም መምሃራን ናይ ላዕለዋይ ደረጃን ዩኒቨርስታትን ኮይኖም ከምዝሰርሑ ይፍለጥ። ህንዲ ብወገና፡ ንብዙሓት ኤርትራውያ ተምሃሮ ኣብ ህንዲ ከይዶም ንኽመሃሩ ናይ 'ስኮላርሺፕ' ዕድል ከምእትቦም ይግለጽ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56657464"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ህንዲ ወላ'ኳ ለበዳ ዓሪጉ እንተ'ሎ ከባብያዊ ምርጫ ይቕጽል ኣሎ","content":"ህንዲ ሽሕ'ኳ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ይዓርግ እንተሎ፡ ኣብ ክልል [ግዝኣት] ምዕራብ ቤንጋል ህዝቢ ድምጹ ንምሃብ ናብ ነቑጣታት ምርጫ የምርሕ ኣሎ። ኣብ ከባቢ ነቑጣታት ምርጫ ዝተርኣየ ነዊሕ ሪጋ እታ ሃገር ብኻልኣይ ማዕበል ለበዳ ትሓልፍ ኣብ እትርከበሉ ዘላ እዋን፡ ንለብዒ እቲ ቫይረስ ከየጋድዶ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ። ኣብታ ክልል፡ ብዙሕ ህዝቢ ዝእከበሉ ጎስጓሳት ምርጫ ቀጺሉ ብምቕናዩ፡ ምዕራብ ቤንጋል ቀጻሊት ማእከል እቲ ለብዒ ክትኸውን ከም እትኽእል ክኢላታት ገሊጾም። ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ልዕሊ 17,000 ሓድሽ መልከፍቲ ክትምዝግብ ከላ፡ ዛጊት ዝለዓለ ቁጽሪ ኮይኑ ኣሎ። እታ ክፍለ ሃገር ዛጊት ብዙሕ መድረኻት ምርጫ ዘካየደት ኮይና እዚ ናይ ሕጂ ናይ መወዳእታ እዩ። ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ህንዲ እትርከብ ግዝኣት ምዕራብ ቤንጋል፡ ሓንቲ ካብተን ቀዳማይ ሚኒስተር ናረንድራ ሞዲ፡ ብዙሕ መናብር ዘይረኽበለን ውሕዳት ክፍለ ሃገራት እያ። ንሱ እቲ ለበዳ ኣብታ ሃገር እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋናት፡ ኣብታ ግዝኣት ብዙሕ ህዝቢ ዝእከበሉ ጎስጓሳት የካይድ ምንባሩ ይኽሰስ። ወኪል ቢቢሲ ካብቲ ስፍራ ከም ዝገለጸቶ ኣብ ገለ ካብቶም እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር'ውን ዝተረኸበሎም ዓበይቲ ምትእኽኻባት፡ ሰባት ማስክ ከይገበሩን ማሕበራዊ ርሕቀቶም ከይሓለውን ተራእዮም እዮም። ሆስፒታላት ልዕሊ ዓቕመን ኮይንወን፡ ሕጽረት ቀረብ ኦክስጅን ክህልው እንከሎ፡ ሬሳታት ዝቃጸልሉ ስፍራታት ብዘይ ዕረፍቲ ን24 ሰዓታት ይሰርሑ ኣለው። እቲ ወግዓዊ መጠን ብኮሮናቫይረስ ዝሰዓበ ሞት ብረቡዕ ካብ 200,000 ክዛይድ እንከሎ፤ እቲ ትኽክለኛ ቁጽሪ ልዕሊኡ ክኸውን ከም ዝኽእል ክኢላታት ይዛረቡ። እታ ሃገር ብሓሙስ 379,257 ሓድሽ መልከፍቲ መዝጊባ፤ እዚ ኣሃዝ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝተመዝገበ ዝለዓለ ቁጽሪ መልከፍቲ እዩ። ኣብቲ ዕለት 3,645 ሰባት ብኮቪድ ህይወቶም ከም ዝሓለፈ'ውን ተገሊጹ። መንግስቲ፡ ካብ ግንቦት 1 ጀሚሩ ኩሎም ዕድሚኦም ካብ 18 ንላዕሊ ዝኾኑ ሰባት ካብ 28 ሚያዝያ ጀሚሮም ኣብ 'ኦንላይን' ብምምዝጋብ ክኽተቡ ከም ዝኽእሉ ኣፍሊጡ ኣሎ። እንተኾነ ግና እቲ መርበብ ሓበሬታ ስራሕ ድሕሪ ምጅማሩ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ከም ዘቋረጸ ተጠቀምቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይዛረቡ። ዛጊት ህንዲ ንሰራሕተኛታት ጥዕና፡ ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ ሰራሕተኛታትን ዕድሚኦም ልዕሊ 45 ንዝኾነን እያ ክታበት ክትህብ ጸኒሓ። 10% ካብ ህዝባ ቀዳማይ ዙር ክታበት ክወስድ እንከሎ፤ ኣብ ቀረብ ሕጽረት ከየጋጥም ተሰጊኡ ኣሎ። ህንዲ ሓንቲ ካብተን ዓበይቲ ኣፍረይቲ ክታበታት እኳ እንተኾነት፡ ነቲ ከባቢ 600 ሚልዮን ዝኸውን ካብ 1 ግንቦት ጀሚሩ ክታበት ክወሃቦ ተባሂሉ ዘሎ ህዝባ ዝኣክል ቀረብ የብላን። ዋይት ሃውስ፡ ንህንዲ ዝያዳ ዕድል ንምሃብ ነቲ ካብ ህንዲ ኣዚዝዎ ዝነበረ 20 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ኣስትራዘኔካ ናብ ካልእ ከም ዘዘዋወሮ ኣፍሊጡ። ክኢላ ተላባዕቲ ሕማማት ባህራማር ሙከርጂ፡ ህንዲ ነቲ ለበዳ ንምዕጋት ማዕረ ማዕረ ምዕዳል ክታበት ዕጽዋ ክትእውጅ ከም ዘድልያ ሓቢራ። ርእሰ ከተማ ደልሂ እትርከቦ ዝበዝሕ ክፋላት እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ዕጽዋን ሰዓት እቶ እቶን እዩ ዝርከብ። መንግስቲ ናይታ ፋይናንስያዊት መዲና ሙምባይ ዝኾነት ማሃራሽትራ ነቲ ዕጽዋ ክሳዕ መፋርቕ ግንቦት ከናውሖ ኩነታት ኣብ ግምት ኣእትዩ ኣሎ። ኣብ ግዝኣት ምዕራብ ቤንጋል ግና ዕጽዋ ኮነ ሰዓታት እቶ እቶ ኣይተኣወጀን ኣሎ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56926029"} {"headline":"ኮቪድ-19፡ ህንዲ ሬሳታት ናይቶም ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ዝነደሉ ቦታ ሕጽረት ኣጋጢምዋ","content":"ፖሊስ ህንዲ ከተማ ደልሂ - ከባብያዊ ኣመሓደርቲ ሬሳታት ናይቶም ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ዝነደሉ ቦታ ንኽደልዩ ሓቲቱ። ካልኣይ ማዕበል ለብዒ ኮሮናቫይረስ ንብዙሕ ከባብታት ህንዲ ዝበጽሐ ኮይኑ፤ ሆስፒታላት፣ ስፍራታት መቓብርን ሬሳታት ዝነደሎም ቦታትን ኣዕለቕሊቖም ኣለዉ። ክሳብ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝነበረ ጸብጻብ: ቁጽሪ ናይቶም በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ልዕሊ 18 ሚልዮን በጺሑ’ሎ። ትማሊ 385,452 ሓድሽ መልከፍቲ ዝተመዝገበ ኮይኑ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝኾነት ሃገር ኣብ ሓደ መዓልቲ ካብ ዝተመዝገበ ብዝሒ እቲ ዝለዓለ ኮይኑ ተመዝጊቡ። ብሓፈሻ ትማሊ ካብ ዝተመዝገበ 3,500 ሞት እቲ 400 ኣብ ከተማ ደልሂ’ዩ። ሆስፒታላት ብሕጽረት ኦክስጂንን ዓራትን ኣብ ዝተጸገማሉ እዋን ብዙሓት ሰባት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እናወጽኡ ሓገዝ ይሓቱ ኣለዉ። ሓደ ላዕለዋይ ኣባል ፖሊስ ከተማ ደልሂ፡ ብዙሓት ሰባት ነቶም ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ኣባላት ቤተሰቦም በቲ ሕማም ንዝሞቱ ኣብ ዘይፍቀድ ቦታ እናወሰዱ ክቐብርዎም ከምዝጀመሩ ገሊጹ። “በዚ ምኽንያት ኢና ሬሳታት ዝነዱሎም ተወሰኽቲ ቦታታት ንኽዳለዉ ንሓትት ዘለና” ክብል ንሓደ መደበር ቴለቪዥን ተዛሪቡ። መንግስቲ ህንዲ እቲ ቫይረስ ንምቁጽጻር ኣብ ዝወስዶም ዘሎ ስጉምትታት ከምኡ’ውን ጎስጓሳት ምርጫን ሃይማኖታዊ ፌስቲቫላትን ክካየዱ ብምፍቃዱ ነቐፌታታት ይበጽሖ። ኣብዚ እዋን ካብ ኣመሪካ ዝተልኣኹ ናይ ኦክስጅን ማሽንን ቬንትሌተራትን ዝርከብዎም ሓገዛት ናውቲ ሕክምና ናብታ ሃገር ኣትዮም ኣለዉ። ህንዲ ካብዚ ጸበባ ክትወጽኣሉ እትኽል መገዲ ብኣዋጅ ዕጽዋን ክታበትን ጥራሕ ከምዝኾነ ሰብሞያ ይምዕዱ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56941141"} {"headline":"ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ዘፍሪ ትካል ብዝተወልዐ ባርዕ ብውሕዱ 5 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ ትካል መፍረ ክታበት ህንዲ ብዝተወልዐ ባርዕ ሓዊ ብውሕዱ 5 ሰባት ተቐቲሎም። ህንጻ ናይቲ ኣብ ምዕራባዊ ህንዲ ዝርከብ ትካል ሴሩም፡ ብሓዊ ከምዝተቓጸለን፡ ጽዑቕ ትኪ ክወጽእ ከም ዝተራእየን ጸብጻባት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። እቲ ትካል ብእንግሊዛዊ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፈርድን ትካል መፍረ መድሃኒት ኣስትራዘነካን ዝማዕበለ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዘፍሪ ዘሎ ምዃኑ ተፈሊጡ። ይኹን እምበር፡ ምፍራይ እቲ ክታበት ኮሮናቫይረስ በቲ ባርዕ ከምዘይተጸልወ እቲ ትካል ገሊጹ’ሎ። ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ዛጊት ኣይተፈልጠን። እቲ ባርዕ 5 ሰባት ድሕሪ ምቕታሉ፡ ከምዝጠፍአ ከንቲባ ከተማ ፑን ተዛሪቡ። “ሕማቕ ዜና በጺሑና’ሎ፡ ተወሳኺ መርመራ ድሕሪ ምክያዱ፡ ኣብቲ ሓደጋ ሂወት ሰብ ከምዝጠፍአ ክንፈልጥ ክኢልና ኣለና” ክብል ዋና ኣካያዲ እቲ ትካል ኣዳር ፑናዋላ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። “ዓሚዩቕ ጓሂ ተሰሚዑና’ሎ፡ ንስድራ ቤት እቶም ዝሓለፉ ድማ ምጽንናዕ ንምነ” ኢሉ። እቲ ዋና ኣካያዲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ንትሕጃ ዝሓዝኩዎ ካልእ መፍረዪ ህንጻታት ስለዘሎ” ኣብ ልዕሊ ምፍራይ ክታበት ኦክስፎርድ-ኣስትራዘኒካ ጽልዋ ኣይክህልዎን’ዩ ኢሉ። እቲ “ኮቭሺልድ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ክታበት፡ ሓደ ካብቶም መንግስቲ’ታ ሃገር ፍቓድ ሂብዎም ዘሎ ክልተ ክታበታት’ዩ። ህንዲ ኣብቲ እትገብሮ ዘላ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ናይ ክታበት ወፍሪ፡ ክሳብ ዝመጽእ ወርሒ ነሓሰ ኣስታት 300 ሚልዮን ሰባት ክትከትብ መደብ ኣለዋ። ብዙሓት ታሕተዋይን ማእከላይን እቶት ዘለወን ሃገራት ዘድልየን ክታበት ኦክስፎርድ-ኣስትራዘኒካ ካብቲ ትካል ይጽበያ ከምዘለዋ ይግለጽ። ህንዲ፡ ድሕሪ ኣመሪካ፡ እታ ኣብ ዓለም ዝበዝሐ ቁጽሪ መልከፍትን ሞትን ኮሮናቫይረስ ዘመዝገበት ሃገር’ያ። ዛጊት ኣብታ ሃገር ልዕሊ 10.6 ሚልዮን ክልከፉ እንከለዉ፡ 153,000 ሰባት ከምዝሞቱ ኣመሪካዊ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ዘውጽኦ ጸብጻብ ይሕብር።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55756431"} {"headline":"ህንዲ፡ ሩዝን ፊኖን ዝርከቦ ናይ መግቢ ሓገዝ ንኤርትራ ሂባ","content":"መንግስቲ ህንዲ፡ ንኤርትራ፣ ሱዳን፣ ጅቡቲን ደቡብ ሱዳንን ናይ መግቢ ሓገዝ ከም ዝልኣኸ ገሊጹ። እቲ 270 ሜትሮክ ቶን ናይ ፊኖ፣ ሩዝን ሽኮርን ሓገዝ ብባህርያዊ ሓደጋታትን ለበዳ ኮቪድ-19 ንዝተሃሰየ ህዝቢ ምዃኑ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ ሓቢሩ። ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪቃን ህንድን ዘሎ ምሕዝነታውን ሕውነታዊ ዝምድናን ንዘመናት ዝጸንሐ ምዃኑን፡ ህንዲ ወትሩ ኣብ ጎድኒ ሃገራት ኣፍሪቃ ደው ከም እትብልን እቲ ሚኒስትሪ ገሊጹ። ህንዲ ንዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓገዝ ክትገብር ከም ዝጸንሐትን፡ እዚ ከአ መቀጸልታ ናቱ ምዃኑ ዝገለጸ ካልኣይ ጸሓፊ ጉዳያት ኤምባሲ ህንዲ ኣብ ኬንያ ራከሽ ሞሃን፡ ሃገሩ ኣቐዲማ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ንዝርከባ ሃገራት፡ ማዳጋስካር፡ ሞውሪሸስን ሲሸልስ፡ ማልዲቨስን ኮሞሮስን ተመሳሳሊ ሓገዛት ከም ዝገበረት ሓቢሩ። ንሱ ወሲኹ፡ ሃገሩ ን150 ሃገራት ኣብ ሕክምና ኮሮናቫይረስ ዘገልግል፡ 'ሃይድሮክሲክሎሮኲን' ዝተባህለ መድሃኒት ሓገዝ ምሃባ እውን ሓቢሩ። ህንዲ፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ፡ በረራታት ኣብ ዝተቛረጸሉ እዋን፡ ምስ መንግስታት እተን ሃገራት ብምዃን ኣብ ሃገራ ንዝተዓገቱ ዜጋታት ኣብ ምምላስን፡ ንሕክምናዊ ሓገዛት ፍሉይ በረራ ኣብ ምውዳድን ከም ዝሰርሐት እቲ መግለጺ ይነግር። እቲ ሓገዝ 155 ሜትሪክ ቶን ሓርጭ ፊኖ፡ 65 ሜትሪክ ቶን ሩዝ ከም'ውን 50 ሜትሪክ ቶን ሽኮር እዩ። ነቲ ሓገዝ ዝጸዓነት ወተሃደራዊት መርከብ ብቐዳም ካብ ወደብ ሙምባይ ከም ዝተበገሰትን ጽባሕ ኣብ ወደብ ሞምባሳ ከም እትበጽሕን ካብ ኤምባሲ ህንዲ ኣብ ናይሮቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54712826"} {"headline":"ህንዲ፡ ብሰንኪ ፖሎቲካዊ ኣፈላላይ ዝተበተነ ሓዳር 10 ዓመት","content":"ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ህንዲ፡ ልዕሊ 10 ዓመት ዝገበረ ሓዳር ክልተ ፖሎቲከኛታት፡ ሰበይቲ ናብ መቐናቐንቲ ሰልፊ ብምጽንባራ ናብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ፡ ኣባል ባይቶ ናይ'ቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ዝምራሕ ሰልፊ 'በሃራትያ ጃንታ ሂንዱ' ዝኾነ ሱሚትራ ክሃን፡ ሰበይቱ ሲጃታ ሞነዳለ ክሃን ናብ ተቓዋሚ ሰልፊ ብምጽንባራ ናይ ፍትሕ ወረቐት ከምዝልእኸላ ኣፍሊጡ። ወዲ 40 ዓመት ዝኾነ ሱሚትራ ክሃን፡ ሰበይቱ ናብ'ቲ ሰልፊ ምስ ተጸንበረት፡ ንብዓቱን ሕርቃኑን እንዳተቆጻጸረ፡ ናይ 10 ዓመት ሓዳር ክበትኮ'የ ክብል ንሰበይቱ ኣጠንቂቑ። ንሳ ብወገና፡ ሰልፊ በሃራትያ ጃንታ ሂንዱ ዝኾነ ክብረት ከምዘይህብዋን ካብ ካልኦት ሰልፍታት ብብልሽውና ንዝኽሰሱሱ ሰባት ከምዝቕበሉን ብምግላጽ፡ ናብ'ቲ ተቓዋሚ ሰልፊ ከምዝተጸንበረት ኣፍሊጣ። በዚ ምኽንያት ዝተላዕለ ጸገም ድማ፡ ሰብኣያ ''በጃኺ ነቲ ካሃን ዝብል ሽመይ ካብ ምጥቃምን፡ ሰብኣየ እዩ ኢልኪ ንካልኦት ሰባት ካብ ምንጋር'ውን ተቖጠቢ'' ክብል ተማሕጺንዋ። ማዕከናት ዜና ህንዲ፡ ክሃን ንሰበይቱ ሲጃታ ሞነዳለ ክሃን ''ፖሎቲካዊ ዕጫኺ ክትክተሊ ምሉእ ናጽነት ሂበኪ'' ኣሎኹ ከምዝበላ'ውን ኣቓሊሐን። ንሓዳረይ ኣዕኒኽዮ ክብል'ውን ከሲስዋ። ነቲ ዝተጸንበረቶ ሰልፊ'ውን፡ ''ሰበይተይ ፍቕረይን ሰሪቖምለይ'' ኢልዎም። ነዚ ተርእዮ ዝከታተሉ፡ ከም'ዚ ዓይነት ናይ ሓደር ድራማ ኣብ ቴሌቨዥናት ህንዲ ተራእዮ ኣይፈልጥን ክብሉ ይገልጽዎ። ድሕሪ እቲ ፍጻመ ክልቲኦም ንቡዙሓት ሜድያታት እታ ሃገር ቃለ-መሕተት ሂቦም ኣለው። ክሃን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዘሃቦ መብርሂ፡ ''ፍቕረይን ንፍዕቲ ሰበይትን እያ ነይራ። ንሳ ጥራሕ'ያ ድኽመተይ ነይራ። ኣብ ስምዒት እየ ዘሎኹ፡ ንዓሰርተ ዓመት ብሓንሰብ ነይርና'' ክብል ተዛሪቡ። ኣብዚ እዋን ሓዳሮም ከምዘብዐቐን ምስኣ ዝኾነ ርክብ ከምዘይብሉን'ውን ሓቢሩ። ሕንቕንቕ እናበለ፡ ''ሱጃታ ነዓይ ኣይኮነትን፡ ተቐቢለዮ ክነብር ኣለኒ'' ኢሉ። ሰበይቱ ሲጃታ ሞነዳለ ክሃን ብወገና፡ ኣብ እዋን ቃለ መሕተት ብኽያት ከምዝሰዓራን ''ንዓሰርተ ዓመት ሰብኣየይ ብዙሕ ኣቓልቦ ኣይሃበንን ክትብል'' ከሲሳቶ። ''ንሱ ምስ ፖሎቲካ ሓርኰትኰት ክብል ነዓይ ዝኸውን ግዜ ኣይነበሮን። ንኣዋርሕ በሊዕኪ ዲኺ ከመይ ደቒስኪ ኢሉ ሓቲቱኒ ኣይፈልጥን'' ክትብል ተዛሪባ። ኣብ ህንዲ ካብ ሓደ ፖሎቲካዊ ሰልፊ ናብ ካልእ ፖሊቲካዊ ሰልፊ ምስግጋር ዳርጋ ልሙድ እዩ። ሲጃታ ሞነዳለ ክሃን፡ ሰልፊ በሃራትያ ጃንታ ሂንዱ፡ 'ሰብኣየይ ንክገድፈኒ ይደፍእዎ ኣለዉ' ክትብል'ውን ሓቢራ። ፖሎቲካን ሓዳርን ክፈልዩ ከምዘለዎምን፡ ሓደር ክብትኑ ከምዘይለብሎምን ድማ ተዛሪባ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55437122"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ህንዲ ንልዕሊ 100 ሚልዮን ዜጋታታ ምኽታባ ኣፍሊጣ","content":"ብብዝሒ ህዝቢ ካብ ቻይና ቀጺላ ኣብ ካልኣይ ደረጃ እትስራዕ ህንዲ ንልዕሊ 100 ሚልዮን ዜጋታት ክታበት ኮሮናቫይረስ ብምክታብ ካብ ዓለም “ክታበት ብምሃብ እታ ዝቐልጠፈት ሃገር” ኮይና። እታ ብካልኣይ ማዕበል መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ እትሕቆን ዘላ ህንዲ ልዕሊ 100 ሚልዮን ዜጋታት ንኽትከትብ 85 መዓልታት ከምዝወሰደላ ሚኒስትሪ ሓለዋ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ። ኣመሪካ 100 ሚልዮን ሰባት ንኽትከትብ 89 መዓልታት ዝወሰደላ ኮይኑ ቻይና ድማ 102 መዓልታት እዩ ወዲኡላ። እንተኾነ ግን ህንዲ ቁጽሪ መዓልታዊ ብኮሮናቫይረስ ዝልከፉ ሰባት 150 ሽሕ ዝበጽሐ ኮይኑ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ከኣ ልዕሊ 800 እዩ። ህንዲ ክሳብ ዝምጽእ ወርሒ ሓምለ ቁጽሪ ናይ ዝኽተቡ ሰባት 250 ሚልዮን ክተብጽሖ ወጢና’ኳ ትንቀሳቐስ እንተላ ሰብ ሞያ ግን እዚ ውጥን ክዕወት እንተድኣኾይኑ ተወሳኺ ጻዕሪ ከምዝሓትት ይምደዱ። ልዕሊ 45 ዝዕድሚኦም ህንዳውያን ኣብ ማእኸላት ሕክምናን ሆስፒታላትን ከይዶም ክኽተቡ ተፈቒዱሎም ኣሎ። ኣብታ ሃገር ክሳብ ቀረባ እዋን ናይ ምኽታብ መሰል ዝነበሮም ኣብ ቅድሚት ዝሰርሑ ሓካይምን ልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰብ ጸጋ ዕድመን’ዮም ነይሮም። ህንዲ ካብ ሓደ ሚያዝያ ጀሚሩ ልዑል መጠን መልከፍቲ ተመዝግብ ከምዘላ ዝተሓበረ ኮይኑ መዓልታዊ ብማእኸላይ ገምጋም 90 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ይልከፉ። ህንዲ ኣብ 4 ሚያዝያ ቁጽሪ በቲ ኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 100 ሽሕ ብምምዝጋብ ካብ ኣመሪካ ቀጺላ ካልአይቲ ብመዓልቲ ክንድኡ ቁጽሪ ዘመዝገበት ሃገር ኮይና ኣላ። ልዕሊ ፍርቂ እቶም ዝተለኸፉ ሰባት ድማ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ካብ ዝርከበላ ግዝኣት ማሃራሽትራ ከምዝኾነ ተፈሊጡ። ህንዲ ክታበት ካብ እትጅምር ኣትሒዙ መጠን ጻዕቂ ተሓከምቲ ኮሮናቫይረስ ኣመና ከምዘንቆልቆለ ይግለጽ። እታ ሃገር ብካልኣይ ማዕበል ለበዳ እትህሰ ዘላ ብሰንኪ ናይ ሕብረተሰብ ጥንቃቐ ምጉዳልን ዘይንጹር መልእኽቲ መንግስትን ከምዝኾነ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ገሊጾም። ኣብ ህንዲ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 12 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ ልዕሊ 1167 ሽሕ ኸኣ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ከምዝሞቱ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ይሕብር። ህንዲ ንኣመሪካን ብራዚልን ተኸቲላ ብብዝሒ መልከፍቲ ኮሮናቫረስ ኣብ ዓለም ኣብ ሳልሳይ ተሰሪዓ ዘላ ሃገር እያ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56708892"} {"headline":"ምስ ህንዲ ተፋጢጣ ዘላ ቻይና፡ ንሰራዊታ ማርሻል አርትስ ክተሰልጥን ወጢና","content":"ቻይና፡ ኣብ ጎቦታት ቲቤት ንሰራዊታ ‘ማርሻል ኣርትስ’ ክተሰልጥን ወጢና ምህላዋ ተገሊጹ። ነዚ ድማ፡ ኣስታት 20 ኣሰልጠንቲ ማርሻል ኣርትስ መዲባ ኣላ። እቲ ስልጠና ንምንታይ ኣብዚ እዋን ከምዘድለየ ብወግዒ እኳ እንተዘይተገለጸ፡ ምስቲ ኣብ ቀረባ መዓልታት፡ ምስ ዶብ ብዝተሓሓዝ ምስ ህንዲ ዘጋጠመ ጎንጺ ዝተኣሳሰር ክኸውን ከምዝኽእል ግምታት ይወሃብ ኣሎ። ቻይናን ህንድን፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ዝበሃል 3500 ኪሎሜትር ንውሓት ብዘለዎ ሰንሰለታዊ ጎቦታት ሂማልያ ይዳወባ። ኣብዚ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ሓጓፍ ሽንጥሮ ጋልዋን ድማ፡ ኣብ ቀረባ እዋን 20 ወተሃደራት ህንዲ ተቐቲሎም እዮም። እቲ ኸባቢ፡ ገና ዕልባት ዘይረኸበ፡ ክልቲአን ሃገራት ይግበኣኒ እዩ ዝብለኦ ሰፊሕ መሬት ዘለዎ ኮይኑ፡ ቅድም ኢሉ’ውን ተዋጊአናሉ ነይረን እየን። እንተኾነ፡ ኣብ 1996 ብዝተገበረ ስምምዕ፡ ክልቲአን ሃገራት ናብቲ ከባቢ ኣጽዋር ኮነ ዝኾነ ተባራዒ መሳርሕታት ሒዘን ከይኣትዋ ተሰማሚዐን እየን። ኣብ’ቲ ኣብ ቀረባ መዓልቲ ዘጋጠመ ጎንጺ’ውን ብዘይ ኣጽዋር ዘጋጠመ ኮይኑ: ቻይና ብዛዕባ ዘጋጠመ መጠን ጉድኣት ኣይገለጸትን። ህንዲ ግን ካብቶም ዝሞቱ ብተወሳኺ፡ 76 ወተሃደራታ ከምዝቖሰሉ ገሊጻ እያ። ሰራዊት ቻይና ማርሻል ኣርትስ ክስልጥኑ ምዃኖም ቅድሚ ሰሙን ኣቢሉ እዩ ተገሊጹ። ናይ ቻይና ሲሲቲቪ ከምዝጸብጸቦ ‘ኢኖቦ ፋይት ክለብ’ ካብ ዝበሃል ጉጅለ ዝተመልመሉ 20 ኣሰልጠንቲ እዮም፡ ርእሰ ከተማ ቲቤት ኣብ ዝኸነት ከተማ ላህሳ ንሰራዊት ቻይና ስልጠና ክህቡ። እተን ኣጽዋር ኒዩክሌር ዝዓጠቓ ክልቲአን ሃገራት፡ ኣብቲ ዝሰሓሓባሉ ሓጓፍ ሽንጥሮ ጋልዋን ኣብ ቀረባ መዓልታት ዝተጓነጻ ሰነ 15 ኮይኑ፡ ነቲ ጎንጺ መን ጀሚርዎ ኣብ ዝብል ነንሓድሕደን ይካሰሳ። ክሳብ ቀረባ እዋን፡ ኣብቲ ዝሰሓሐባሉ ከባቢ፡ ንልዕሊ 50 ዓመታት ጎንጺ ኣይነበረን። እቲ ዶብ እንታይ ይመስል? እቲ ዋንነቱ ንክልቲአን ሃገራት ዘካተዕ ግዝኣት ዶብ፤ ጎቦታት፣ ቃለያትን ሩባታትን ዝበዝሖ ሓጓፍ ሽንጥሮ እዩ። ኣብቲ ከባቢ ብዘሎ ተቐያያራይ ኩነታት ኣየር ድማ፤ ደረት እቲ ዶብ ብቐሊሉ ክቀያየር ይኽእል እዩ። ብ1962 ዓ\/ም ክልቲአን ሃገራት፤ ህንዲ ዝተስዓረትሉ ኲናት ገጢመን ነይረን። ኣብቲ እዋን፤ ተኹሲ ጠጠው ንምባል እንተተስማማዓ'ኳ፡ ዛጊድ እዚ ዝበሃል ዕልባት ኣይገበራሉን። እቲ ዘካትዕ ዶብን ግዝኣትን፡ ኣይተኻለለንን ኣይተጠረረንን ጸኒሑ። ሕዚ፡ ቻይና ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ኣብቲ ከባቢ ኣስፊራ ክትብል፡ ህንዲ ትኸስስ ኣላ፤ 38 ሽሕ ሜትሮ ትርብዒት መሬት ብጉልበታ ተቖጻጺራ ድማ ኢላ። እንተኾነ፤ ህንዲ ናብዚ ኣጸጋሚ ከባቢ ዝወስድ ዓብዪ መንገዲ ምህናጻ እዚ ጎንጺ መሊሱ ክጅመር ምኽንያት ከምዝኾነ እዩ ዝዝረብ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53211830"} {"headline":"ኣብ ማእከል ሕክምና ኮሮናቫይረስ ዝተልዓለ ባርዕ 7 ሕሙማት ቀቲሉ","content":"ኣብ ደቡባዊ-ምዕራብ ህንዲ፡ ኣብ ግዚያዊ ማእከል ሕክምና ኮሮናቫይረስ ብዝተልዓለ ባርዕ፡ ብውሕዱ ሸውዓተ ሰባት ሞይቶም። እቲ ባርዕ፡ ሎሚ ሰንበት ንጉሆ እዩ፡ ኣብ’ቲ ሕክምና ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ‘ስዋርና ፓላስ’ ዝበሃል ሆቴል ተላዒሉ። እቲ ባርዕ ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ሰዓት ክጠፍእ ክኢሉ እዩ። እቶም ዝደሓኑ ሕሙማት ድማ ኣብ’ታ ከተማ ናብ ዝርከብ ካልእ ሆስፒታል ከምዝተወሰዱ ሰብመዚ ገሊጾም። ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ኣዝዩ ከምዝሓዘነ ገሊጹ። ኣብ ማእከል ሕክምና ኮሮናቫይረስ ሓደጋ ከጋጥም እንከሎ፡ ኣብ መዓልታት እዚ ንኻልኣይ ግዜ እዩ። መንቀሊ ናይ’ቲ ባርዕ ኣይተፈለጠን፤ ገና ኸኣ ምጽራይ ይግበር ኣሎ። ናይ’ቲ ኸባቢ ፖሊስ ከምዝገለጾ፡ ኣብ እዋን እቲ ባርዕ፡ ኣብ’ቲ ማእከል ሕክምና ልዕሊ 30 ሰባት እዮም ነይሮም። በዚ ምኽንያት ድማ፡ ቁጽሪ መወትቲ ክውስኽ ከምዝኽእል ይግለጽ። ንስድራ ናይቶም ግዳያት ሓሙሽተ ሚልዮን ሩፒ (51 ሽሕ ዩሮ) ክወሃቦም እዩ ተባሂሉ። ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ሓሙስ’ውን ኣብ ከተማ ኣህመድኣባድ፡ ኣብ ሓደ ናይ ኮሮናቫይረስ ሆስፒታል፡ ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክትትል ሕክምና ብዘጋጠመ ባርዕ፡ 8 ሰባት ሞይቶም እዮም። ህንዲ ብበዝሒ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ፡ ብደረጃ ዓለም ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ። ኣብ’ታ ሃገር ልዕሊ 2.1ሚልዮን መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ከምዘሎ ተረጋጊጹ እዩ። ልዕሊ 43,000 ድማ ሞይቶም እዮም። ሎሚ ሰንበት ጥራይ፡ ኣብ’ታ ሃገር ተራእዩ ዘይፍለጥ ልዑል መዓልታዊ መልከፍቲ፡ 64,000 ሓደሽቲ መልከፍትታት እዩ ተመዝጊቡ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53713639"} {"headline":"ስሙይ ህንዳዊ ተዋሳኢ ኣሚታብ ባቻን ብኮሮናቫይረስ ተታሒዙ","content":"ህቡብ ህንዳዊ ተዋሳኢ ኣሚታብ ባቻን (ኣሚት)፡ ብኮቪድ-19 ከምዝተትሓዘ ብሚልዮናት ንዝቑጸሩ ናይ ትዊተር ተኸተልቱ ኣፍሊጥዎም። “ብኮቪድ ከምዝተትሓዝኩ ብምርመራ ተረጋጊጹ’ሎ፡ ናብ ሆስፒታል ተወሲደለኹ፡ ሆስፒታል ድማ ንሰብመዚ ኣፍሊጡ’ሎ፡ ስድራይን ሰራሕተኛታትን ምርመራ ይግበረሎም ኣሎ፡ ውጽኢት ከኣ ንጽበ’ለና” ኢሉ እዩ ጽሒፉ ኣብ ትዊተሩ። ወዱ ኣቢሻክ ባቻን ድማ ጽንሕ ኢሉ ንሱ’ው ንብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዘ ጽሒፉ። ወዲ 77 ዓመት ኣሚታብ ባቻን፡ ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ፊልም ምስራሕ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኣብ 200 ፊልምታት ዝተሳተፈ ብሉጽ ተዋሳኣይ ቦሊውድ እዩ። ኣሚታብን ወዲ 44 ዓመት ውላዱ ኣቢሻክን ኣብ ሙምባይ ናብ ዝርከብ ‘ናናቫቲ’ ሆስፒታል ዝተወሰዱ ኾይኖም፡ ኣቢሻክ ከምዝብሎ፡ ክልቲኦም ቅልል ዝበለ ምልክታት ናይ’ቲ ሕማም እዩ ዝራኣዮም ዘሎ። ኣሚታብ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ መዓልታት ምስኡ ተራኺቦም ዝነበሩ ኩሎም ሰባት ክምርመሩ ሓቲቱ’ሎ። ንኣሽዋርያ ሬይ ባቻን ሓዊሱ ገለ ካልኦት ኣባላት ስድራ ኣሚታብ ድማ ተመርሚሮም ካብቲ ቫይረስ ናፃ ኮይኖም ኣለዉ። እዚ ዜና ምስተሰምዐ፡ ንኣሚታብን ንኣቢሻክን “ኣጆኹም! ምሕረት የውርደልኩም” ዝብል ብዙሕ መልእኽትታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ይበጽሖም ኣሎ። ኣሚታብ ባቻን፡ መንግስቲ ህንዲ ብዛዕባ እዚ ባይረስ ግንዛበ ንምፍጣር ኣብ ዘገብሮ ዝነበረ ጻዕርታት እናሓገዘ እዩ ጸኒሑ። ኣብ ህንዲ፡ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ኣዝዩ እዩ ዝውስኽ ዘሎ። ክሳብ ትማሊ ቀዳም 821,000 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ዝተረጋገጸ ኾይኑ፡ ህንዲ ኣብ ዓለምና ብብዝሒ መልከፍቲ ሳልሳይ ተሰሪዓ ትርከብ። ኣብታ ሃገር፡ ሕጽረት ምርመራን ሕጽረት ኣብ ምቅላስ ኮሮናቫይረስ ዝወፈሩ ሓካይምን ከምዘሎ ድማ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53379744"} {"headline":"ወተሃደራት ቻይናን ህንድን ኣብ ዶብ ተታዂሶም","content":"ሓደ መራኸቢ ሓፋሽ ህንዲ ከም ዝጸብጸቦ፡ ወተሃደራት ህንድን ቻይናን ኣብ ገለ ዶባት ተታዂሶም። ኣብቲ ልውውጥ ተኹሲ፡ ሸውዓተ ወተሃደራት ቻይናን ኣርባዕተ ወተሃደራት ህንድን ድማ ቆሲሎም ክብል ሓደ ወተሃደራዊ ሓላፊ ከምዝተዛረበ ተገሊጹ። እዚ ብቕድሚ ትማሊ ዕለተ ቀዳመ ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ክስት፡ ገለ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ወተገሃደራዊ ሓለፍቲ ከረጋግዕዎ ፈቲኖም ተባሂሉ። ክልቲአን ሃገራት ኣብቲ ነዊሕ ዘራኽበን ዶብ [3400 ኪሎ ሜትሮ] መጠነኛ ጎንጺ ከምዘለዎን ይዝረብ እዩ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተወካሊ ቢቢሲ ከምዝበሎ፡ ኣብቲ ዶብ ብዙሕ ጎሊሁ ኣይውጻእ 'ምበር ሓደ ሓደ ግዘ ምድፍፋእ፣ ምትንዃስን ምፍትታንን እናተደጋገመ ይመጽእ ኣሎ። እቲ ዝቐረበ ናይ ምትንዃስ እዋን፡ ናኩ ኣብ ዝተብሃለ ዶብ ከባቢ ሂማልያ እዩ ተራእዩ ነይሩ። ቻይናን ህንድን ብዶብ ዝተልዓለ ኣብ 1962 ደማዊ ኲናት ኣካይደን እየን። ቀጺሉ ድማ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ 2017፡ ቻይና ኣብ ሓደ ዘየሳንየን ግዝኣት ዶብ መንገዲ ክተስፋፍሕ ምስ ፈተነት ተጓኒፈን ነይረን። ክልቲአን ሃገራት፡ ኣብቲ ከባቢ ዶብ ወተሃደራተን ዝፋጠጥሉ ኩነታት እንተሎ'ኳ፡ ኣብ ዝሓለፉ 40 ዓመታት ተታኺሰን ኣይፈልጣን ነይረን።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52613341"} {"headline":"ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ትማሊ ዝለዓለ መጠን መልከፍቲ  ኮቪድ-19 ተመዝጊቡ ይብል","content":"ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ዝለዓለ ሓዲሽ መልከፍቲ ከም ዝተመዝገበ ገሊጹ። እቲ ብዝሒ መልከፍቲ 307,930 ኮይኑ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሓደ መዓልቲ ክንድ'ዚ ቁጽሪ ተመዝጊቡ ኣይፈልጥን’ዩ። ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ሞት 5500 ሰባት ስለ ዝተመዝገበ ንጠቕላላ ቁጽሪ ምውታት ናብ 917,417 ክብ ከም ዝበለ ገሊጹ። ትማሊ እቲ ዝበዝሐ ሓዲሽ መልከፍቲ ኣብ ህንዲ፣ ብራዚልን ኣሜሪካን’ዩ ተመዝጊቡ። ብደረጃ ዓለም ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 28 ሚልዮን ክበጽሕ እንከሎ ካብዚኦም እቶም ፍርቆም ካብ ሰሜንን ደቡብን ኣሜሪካ’ዮም። ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ሓዲሽ መልከፍቲ ተመዝጊቡላ ዝነበረት መዓልቲ 6 መስከረም ኮይና ኣብታ ዕለት 306,857’ዩ ተመዝጊቡ ነይሩ። ብመሰረት ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ህንዲ 94 ሽሕን 372፣ ኣሜሪካ 45 ሽሕን 523 ከምኡ’ውን ብራዚል 43 ሽሕን 718 ሓዲሽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ኣመዝጊበን። ከምኡ’ውን ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ኣብ ህንድን ኣሜሪካን ልዕሊ 1000 ሞት ክምዝገብ እንከሎ ብራዚል ድማ 874 ሞት ኣመዝጊባ። ብደረጃ ዓለም ኣሜሪካ፡ ህንድን ብራዚልን ብቅደም ተኸተል ዝበዝሐ ቁጽሪ መልከፍቲ ኣመዝጊበን ዘለዋ ሃገራት’የን። ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ’ውን መጠን ሓዲሽ መልከፍቲ ይውስኽ ስለዘሎ፡ ደግሲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከየጋጥም ስግኣት ኣሎ። ብዙሓት ሃገራት ኣውሮጳ ኣብቲ ዝያዳ ለበዳ ይርኣየሉ’ሎ ዝበለኦ ከባቢታት ኣዋጃት ዕጽዋ የመሓላልፋ ኣለዋ። ሰባት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩን ኣካላዊ ርሕቀት ከተግብሩ ዘገድድ ሕጊ’ውን ዳግማይ የተኣታትዋ ኣለዋ። ኣብ ከም ሃገራት ፔሩ፣ እስራኤል፣ ደቡብ ኮርያን ኣውስትራላያን ድማ ደግሲ ለባዳ ኮሮናቫይረስ ይርአ’ሎ። ፖሊስ ኣውስትራልያ፡ ብሰንበት ኣብ ግዝኣት ቪክቶርያ ንኣዋጅ ዕጽዋ ክቃወሙ ካብ ዝወጽኡ ነቶም 70 ከም ዝኣሰሮም ገሊጹ ኣሎ። ኣብቲ ንኣዋጅ ዕጽዋ ንምቅቃም ዝተገበረ ሰላማዊ ሰልፊ ኣስታት 250 ሰባት’ዮም ተሳቲፎም። ግዝኣት ቪክቶርያ ማእከል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣውስትራልያ እያ ኮይና ዘላ። ካብ ጠቅላላ ኣብ ኣውስትራልያ ዘሎ መጠን መልከፍቲ 75 ሚእታዊት ካብ መጠን ሞት ድማ ነቲ 90 ሚእታዊት ኣብዛ ግዝኣት እዩ ተመዝጊቡ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54143840"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ ኣብ ህንዲ፡ ደቂ ተባዕትዮ ናይ ገዛ ስራሕ ንክሰርሑ ጎስጓስ ተጀሚሩ","content":"ጾታዊ ማዕርነት ኣብ ዘይተረጋገጸለን ሃገራት፡ መብዛሕትኡ ናይ ገዛ ስራሕ ሓላፍነት ጓል ኣንስተይቲ ተገይሩ'ዩ ዝቑጸር። ካብዚ ብዝብገስ ድማ፡ ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮን ኣዴታትን ንዕዮታት ገዛ ዝተቓልዓ ስለ ዝኾና፡ ብቐንዱ ካብ ትምህርትን ካልኦት ኣገደስቲ ነገራትን ይቦኽራ። ኣብዚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ዳርጋ መብዛሕትአን ሃገራት ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምቁጽጻር ካብ ሞንጎ ዝወሰድኦም ስጉምታት ኣዋጅ ዕጽዋ እቲ ሓደ እዩ። እዚ ድማ፡ ፖለቲካ ጾታ ህንዲ ናብ ኣደባባይ ክወጽእ ገይሩዎ'ሎ። ኣብ ህንዲ፡ ከምቲ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዘሎ መሕጸቢ ክዳን ኣቑሑን ከምኡ'ውን መንበሪ ገዛ ዘጽሪ መሽን ዝተማልኣሉ ናብራ ኣይኮነን ዘሎ፤ እቲ ናይ ገዛ ስራሕ ከበድቲ ነገራት ናይ ምልዓል ዝበዝሖ ስራሕ እዩ። ስለ ዝኾነ፡ ደቂ ኣንስትዮ መግቢ ዝተቐረበሎም ወይ ዝስርሐሎም ኣቑሑት፣ ክዳውንቲ ብኢድ ተሓጺቦም ቦትኦም ክትሕዙ ክገብራ ኣለወን። ገዛ'ውን ክጸሪ ኣለዎ። ሓልዮት ዝደልዩ ቖልዑን ኣረጋውያንን ድማ ኣለው፤ እዚ ኹሉ ተደሚሩ ንጓል ኣንስተይቲ ህንዲ ከቢድ ጸር እዩ ዝኾና። ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት እዛ ሃገር ኣብ ማእከላይ እቶት ዝርከቡ ስለ ዝኾኑ፡ ናይ ገዛ ሰራሕተኛታት ቖጺሮም እዚ ኹሉ ጣጣ ክውግኑዎ ይኽእሉ ይኾኑ። ግን ድማ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን እዚ ዝሕሰብ ኣይኮነን፤ ሃገር ሙሉእ ኣብ ኣዋጅ ዕጽዋ ስለ ዘላ እተን ናይ ገዛ ሰራሕተኛታት መጺአን ክሰርሓ ኣይኽእላን እየን። በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ሞንጎ ኣባላት ስድራ ልዕሊ እቲ ክብሃል ዝክኣል ጎንጽን ምክፍፋልን ተፈጢሩ፤ ክሳብ ቐዳማይ ሚኒስትር ናረንድራ ሞዲ ኢዱ ክሕውስን ፍታሕ ከምጽእን ዝጠልብ ፌርማ ምትእኽኻብ ተበጺሑ። \"መኾስተር 'ብጓል ኣንስተይቲ ጥራሕ ክተሓዝ ኣለዎ' ዝብል ጽሑፍ ተጠቂዑዎ ድዩ ዝሽየጥ?\" ዝብል ጽሑፍ ተዳልዩ እዩ እቲ ፌርማ ዝተኣኻኸብ ዘሎ። ደቂ ኣንስትዮ ህንዲ፡ \"መሕጸቢ ክዳን ማሽንን እቶንን ብጓል ኣንስተይቲ ጥራሕ'ዮም ዝሰርሑ ተባሂሉ ድዩ? ስለ ምንታይ ድኣ ደቂ ተባዕትዮ ናይ ገዛ ስራሕ እጃሞም ዘየበርክቱ\" ይብላ ኣለዋ። ብምኽንያት እቲ ዕጽዋ ኣብ ገዛ ኮይና ክትሰርሕ ዝተገደደት ኣዳላዊት እዚ ምትእኽኻብ ፌርማ ሱባርና ጎሽ፡ ብተወሳኺ ናይ ገዛ ስራሕ ከም ዝተሰላቸወት ብምግላጽ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ \"ኩሎም ደቂ ተባዕትዮ ህንዲ እቲ ናይ ገዛ ስራሕ ማዕረ ንክማቐልዎ ንምትብባዕ፡ ኣብ ቀጻሊ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ ትኹረት ክገብረሉ ኣለዎ\" ትብል። \"እዚ ወሳኒ ሕቶ'ዩ፤ ስለ ምንታይከ'ዮም ብዙሓት ሰባት ዘይዛረብሉ?\" ክትብል'ውን ጽሒፋ። እዚ ነጸብራቕ ጾታዊ ዘይመዓርነት ህንዲ ዝኾነ ጻውዒት ምስ ኣቕረበት ክሳብ ሕጂ፡ 70 ሽሕ ፌርማ ኣተኣኻኺባላ። ከም ጸብጻብ ዓለምለኻዊ ትካል ሸቃሎ 2018፡ ኣብ ከተማ ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ህንዲ መዓልታዊ ዘይኸፈሎ ስራሕ ብምስራሕ ን321 ደቓይቕ [ልዕሊ 5 ሰዓት] ተጸሚደን ይውዕላ። ብኣንጻሩ ደቂ ተባዕትዮ 29 ደቓይቕ ጥራሕ እዮም ዘጥፍኡ። ኣብ ገጠራት ድማ፡ ደቂ ኣንስትዮ ን291 ደቓይቕ [ንልዕሊ 4 ሰዓታት] ዘይኽፈሎ ስራሕ ክሰርሐ እንከለዋ፡ ናይ ደቂ ተባዕትዮ 32 ደቓይቕ ጥራሕ እዩ። ኣደ ክልተ ቖልዑት ዝኾነት ሱባርና ጎሽ፡ ተሞኩሮ ህይወተይ ይኹን ኣብ ከባቢና ናይ ዝፈልጠን ደቂ ኣንስትዮ ሓደ ዓይነት እዩ ትብል። \"መግቢ ዘዳሉ፣ ገዛ ዘጽሪ፣ ክዳን ሓጺበ ቦትኡ ዘትሕዝ . . . ኩሉ ነገር ዝሰርሕ ኣነ እየ\"። በዓል ቤታ ሰራሕተኛ ባንኪ እዩ። \"ዋላ ሓደ መዓልቲ ክሕግዝ ኢሉ ሓሲቡዎ ኣይፈልጥን\" እያ ትብል። ሱባርና ጎሽ ኣብ ሓደ ግብረ ሰናይ ትካል ናይ ፍትሒ ኣገልግሎት ብምሃብ እትሰርሕ ኮይና፡ ኣብዚ እዋን ዕጽዋ፤ ኣብ ገዝኣ ንኹሉ ነገር ንሳ መስዋእቲ ክትገብር ከም ዘለዋ ዝገብር ዝንባለ ከም ዝተዓዘበት ትዛረብ። \"ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ፈለማ ኣዋጅ ዕጽዋ ክእወጅ እንከሎ፡ ናተይ ስራሕ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ። ኩል ግዜ እዩ ስለ ዝደኽመኒ ከንጸርጽር ጀሚረ። ድሓር ሰባት እንታይ ድዮም ዝብሉኒ? ዘይትገድፍዮ'ሞ ይብሉኒ\"። ድሕሪ እዚ፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ግንቦት ኣቑሑ ገዛ ኮነ ክዳውንቲ ምሕጻብ ይትረፈለይ ኢላ ሓዲጋቶ። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ግን፡ ዓይነይ ጉድ ርእዩ ኢላ። እቲ መሕጸቢ ኣቑሑት ብዝረስሐ ኣቕሓ ዒቕ ኢሉ መሊኡ፤ ክዳውንቲ'ውን ተኾሚሮም። ሽዑ'ዮም፡ በዓል ቤታ ኮነ ደቃ ስለ ምንታይ ሱባርና ጎሽ ተንጸርጽር ከም ዝነበረት ዝተረድኦም። \"ድሕሪኡ በዚ ተደራቢ ስራሕ ክንደየናይ ተጎዲአ ከም ዝጸናሕኹ ተረዲኡ በዓል ቤተይ ክሕግዘኒ ጀሚሩ። ግን ድማ፡ ደቂ ተባዕትዮ በቲ ናይ ገዛ ስራሕ ሓላፍነት ጓል ኣንስተይቲ'ዩ ብዝብል ባህልን ማሕበረሰባዊ እምነታትን ዝተጎድኡ'ዮም። ናይ ገዛ ስራሕ ከመይ ከም ዝዕየ ከይተመሃሩ'ዮም ዝዓብዩ። ኢዶም ሒዝካ ምምሃር የድልዮም'ዩ\" ኢላ። በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ህንዲ ይኹን ኣብ ውሽጢ ተባዕታዊ ኣተሓሳስባ ጎሊሑ ዝርኣየሉ ሕብረተሰብ ካልኦት ሃገራት፡ ደቂ ኣንሰትዮ ካብ ዕሸል ዕድሚአን ኣትሒዙ ስድራ ምእላይ ሓላፍነተን ከም ዝኾነ ብዘስርጽ ኣገባብ እየን ዝዓብያ። እዚ፡ ከም ንቡር ስለ ዝቑጸር ናብ ትምህርቲ ወይ ካልእ ዕዮ ዝኸዳ እንተኾይነን ተደራቢ ስርሐን ኮይኑ ብኣጋ ወጊነን ክኸዳ'ዩ ትጽቢት ዝግበር። \"ቖልዓ ከለኹ፡ ንኣደይ ብምሕጋዝ ኣነ'የ ኩሉ ነገር ዝሰርሕ ነይረ። ሓወይ ምስሑ'ውን ኣቐሪቡ በሊዑ ኣይፈልጥን\" ክትብል ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ርኢይቶኣ ኣካፊላ ነይራ። እተን መብዛሕትአን 'ንሕና እንነብረሉ ገዛ ጾታዊ መዓርነት ዝሰፈኖ'ዩ ዝብል ርኢይቶ ዘካፈላ ድማ፡ ብዝኾነ ኣጋጣሚ ኣብ ውሽጢ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝነበረ ስድራ ዝዓበያ ወይ'ውን ካብ ወጻኢ ሃገር ዝመጽአ ሰብ ዝተመርዓዋ ምዃነን ገሊጸን። ከም ጸብጻብ ኦክስፋም፡ ደቂ ኣንስትዮ ህንዲ መዓልታዊ ንልዕሊ ሰለስተ ቢልየን ሰዓታት ንዘይኽፈሎ ስራሕ ዝተቓልዓ እየን። እዚ ናብ ስሩዕ ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ተወሲዱ እንተዝጽብጸብ፡ ናብ ዓመታዊ እቶት ህንዲ ብትሪሊዮን ሩፒ ዝግመት ኣታዊ ምረኸበት ተባሂሉ ይግመት። ግን ድማ፡ ግደ ሓቂ እዚ ናይ ገዛ ስራሕ ኣብ ግምት ዝኣቱ ኣይኮነን። ስቕ ኢሉ ደቂ ኣንስትዮ ፈትየንኦ ብፍቕሪ ዝዓይኦ ተገይሩ'ዩ ዝቑጸር። ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ዝተወስደ ስጉምቲ ዕጽዋ ግን፡ ስድራቤታት ነዚ ኣብ ትሕቲ 'ምንጻፍ ተቐቢሩ' ዝነበረ ካብ ድሑር ባህላዊ ኣመለኻኽታ ዝነቅል ናይ ስራሕ ክፍፍል ፊት ንፊት ክገጥሙዎ ይገብር ኣሎ። \"እዚ ዕጽዋ ነዚ ገፊሕ ፍልልይ ጾታ ፈጢጡ ክወጽእ ገይሩ'ዩ\" ትብል ሱባርና ጎሽ። \"ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ 'ከመይ ኢሉ'ዩ ግን ሰብኣይ መግቢ ከብስል ወይ ገዛ ከጽሪ?' ኢለን ይሓታኒ። ገለ ንሰብኡተን ዝንእዳ'ውን ኣለዋ፤ 'ዝቐረብኹሉ ተቐቢሉ ዝበልዕ ሰብ ስለ ዝኾነ፡ ሰብኣየይ ጥዑም እዩ' ዝብላ'ውን ኣለዋ\"። በዚ ምኽንያት፡ ናብ ቀዳማይ ሚኒስትር ዝለኣኽ ፌርማ ክተተኣኻኽብ ጀሚራ። ኣነ፡ ማዕርነተይ ዝተኸብረለይ ጽብቕቲ ሰበይቲ ክኸውን እየ ዝደሊ ዝበለት ሱባርና ጎሽ፡ ነዚ ፌርማ ምትእኽኻብ ክትጅምር እንከላ ንበዓል ቤታ ኣማኺራቶ፡ \"ብእወንታ\" ከም ዝተቐበሎ ትዛረብ። \"ስቕ ኢልካ'ሞ ናይ ገዛ ስራሕ ዘይትሰርሕ? ሰበይትኻ ናብ ቀዳማይ ሚኒስትር ሞዲ ዝለኣኽ ፌርማ ተተኣኻኽብ ኣላ\" ኢሎም ዝሓጨጭሉ'ውን ኣይተስኣኑን። ንሱ ድማ፡ \"ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ክንዲ ንበዓልቲ ቤቶም ንሞዲ ስለ ዝሰምዑ ጸገም የብሉን\" ከም ዝበሎም ሱባርና ጎሽ ትዛረብ። ንሱባርና ጎሽ፡ ዝነቐፉ ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ እውን ኣለው። ንምዃኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ሞዲ ንሕቶ ሱባርና ጎሽ ከም ቁምነገር ቖጺሩ ክዛረበሉ ድዩ? ጎሽ፡ \"ተስፋ ይገብር\" ትብል። \"ቀዳማይ ሚኒስትር ሞዲ፡ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ሰፊሕ ተቐባልነት ዘለዎ ሰብ'ዩ። ስለዚ ነዚ ከም መተባብዒ ደቂ ኣንስትዮ ገይሩ ብምውሳድ ክዛረበሉ እዩ። ክረምቲ ክኣቱ እንከሎ ብዛዕባ ሰዓልን ቁርን ይዛረብ'ዩ፤ ብዛዕባ ጾታዊ ማዕርነት ዘይዛረበሉ ምኽንያት ድኣ እንታይ ኣሎ?\" ትብል።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53503580"} {"headline":"ኣብ ህንዲ ኣቦን ወድን ኣብ ኢድ ፖሊስ እናሃለዉ ምሟቶም ቁጠዐ ፈጢሩ","content":"ታሚል ናዱ ኣብ እትበሃል ደቡባዊት ግዝኣት ህንዲ፡ ኣቦን ወድን አብ ቀይዲ ፖሊስ ኣትዮም እንከለዉ ብምሟቶም ቁጠዐ ፈጢሩ። ፒ ጀያራጅ ዝበሃሉ ወዲ 58 ዓመት ኣቦን ፌኒክስ ዝበሃል ወዲ 38 ዓመት ወዶምን፡ ኣብታ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምንቅስቓሳት ተኣጊዱላ ዘሎ ታሚል ናዱ፡ ኣብ ሰዓት እቶ እቶ ድኳን ከፊትኩም ብዝብል እዮም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። ክልቲኦም ሰባት፡ ኣብ ቀይዲ ምስኣተዉ ድሕሪ ክልተ መዓልታት እዩ ኣብ ናይ ሰዓተት ኣፈላላይ ህይወቶም ሓሊፉ። ቤተሰብ ናይቶም መወትቲ፡ ኣብ ማእሰርቲ እንከለዉ ሓያል መውቃዕቲ ኣጋጢምዎም ከምዝነበረ እዮም ዝዛረቡ። ድሕሪ ሞት ናይዞም ኣቦን ወድን ድማ፡ ሕብረተሰብ ናይቲ ከባቢ ፍትሒ ክረኽቡ ይሓትት ኣሎ። ናይታ ከተማ ቤት ፍርዲ’ውን ነቲ ጉዳይ ይከታተሎ ኣሎ። ነቶም መወትቲ ዝኣሰሩዎም ፖሊስ ናብ ካልእ ቦታ ዝተቐየሩ ኮይኖም፡ መንግስቲ ናይታ ግዝኣት፡ ንስድራ እቶም መወትቲ ካሕሳ 13,222 ዶላር ሂብዎም። እቲ ጉዳይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብገፊሑ ምስተዘርገሐ፡ ብደረጃ ሃገር ሓያል ቁጠዐ ፈጢሩ’ሎ። ብዙሓት፡ ነቲ ተግባር ምስቲ ኣ ብቀረባ እዋን ኣብ ኣመሪካ ዘጋጠመ ሞት ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ እናነጻጸሩ፡ ንጭካነ ፖሊስ ይኹንኑ ኮኒኖም። እቶም ነዚ ተግባር ፈጺሞም ዝተብሃሉ ፖሊስ፡ ብገበን ቅትለት ስለዘይተኸሰሱ ድማ እዩ ቁጠዐ ፈጢሩ ዘሎ። ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ህንዲ ንዝፍጸሙ ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛታት ብዝምለከት ጸብጻብ ዘውጸአ ሓደ ገባሪ ስናይ ትካል፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ 1,731 ሰባት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህይወቶም ሓሊፉ እዩ። እዚ ማለት መማ፡ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 5 ሰባት ኣብ ማእሰርቲ እንከለዉ ይሞቱ ማለት እዩ።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53210693"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ህንድን ባንግላድሽን ከቢድ ዝናብ ይሃርም ኣሎ","content":"ኣብ ምብራቓዊ ህንድን ባንግላድሽን ሓያል ንፋስ ዝሓወሶ ከቢድ ዝናብ ከም ዝሃረመ ይግለጽ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ድማ፡ ብርቱዕ ህቦቡላ ክወርድ እዩ ተባሂሉ ይስጋእ። ህቦቡላ ኣምፋን ኣብ ህንዲ ኣብ ማይ ቤት ቤንጋል ካብ ዘውርዶ ሓደጋ ንምክልኻል ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታትን ካብ ከባቢ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ክወጽኡ ገይረን። ሜትሮሎጂ ህንዲ፡ ህቦቡላ ኣምፋን \"ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትርን ኣጋምሸትን\" ክወርድ ይኽእል እዩ ክብል ኣጠንቂቑ። ኣብዚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘለሉ እዋን፡ እዚ ህቦብላ ንመንግስታት ክልቲኤን ሃገራት ካልእ ዓብዪ ሓደጋ ኮይኑዎም ኣሎ። ህንድን ባንግላድሽን ኣብያተ ትምህርትን ካልኦትን ትካላትን ግዚያዊ መዕቆቢ ማእከላት ኮይኖም ከገልግሎ እዮም'ኳ እንተበላ፡ ኣብዚ ኣካላዊ ርሕቐት ምሕላው ኣገዳሲ ዝኾነሉ እዋን ግን ነዚ ንምእላይ ከም ዘጸግመለን ተገሊጹ። ኣብ ህንዲ ዞባ ምዕራብ ቤንጋል ዝርከቡ ፖሊስ፡ በዚ ከቢድ ህቦቡላ ክጥቅዑ ከም ዝኽእሉ ብምግላጽ፡ ብዙሓት ሰባት ድማ ብኮቪድ-19 ከይልከፉ ስለ ዝሰግኡ ናብቶም መጽለሊ ቦታታት ንምኻድ ፍቃደኛታት ከም ዘይኮኑ ተሓቢሩ። ሰበ ስልጣን ህንዲ ብወገኖም፡ ህጹጽ ሃገዝ ዝህቡ ልዕሊ 20 ጉጅለታት ተዳልዮም ኣለው ኢሎም። ኣምፋን፡ ሓደ ካብቶም ኣብ 10 ዓመት ሓደ ግዜ ዝክሰቱ ከበድቲ ህቦቡላታት ኮይኑ፡ ኣብ ሰዓት 185 ኪሎ ሜትሮ ይውንጨፍ። እዚ ምስ ህቦቡላ ሃሪኬን ማዕረ ይገብሮ። ብ2007 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] 3500 ሰባት ብዝቐተለ ህቦቡላ ሲድር ተጠቒዓ ዝነበረት ባንግላድሽ፡ እዚ ሓድሽ ህቦቡላ'ውን ከቢድ ስግኣት ከም ዝኾና ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ይገልጹ። ኣብ ህንዲ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ብዝወጽአ ኣዋጅ ዕጽዋ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ካብ ከተማ ናብ ገጠር ይምለሱ ኣብ ዘለውሉ እዋን፡ እዚ ህቦቡላ ምምጽኡ ድማ ካልእ ስግኣት ከም ዝኾነ ይእመን። እዚኦም ብብዝሒ ናብ ምዕራብ ቤንጋልን ኦሪሳን እዮም ዝምለሱ ዘለው። ይኹን እምበር ግዝኣት ኦሪሳ ነዚ ብምስጋእ መጓዓዝያ ባቡር ደው ክብል ገይራ እያ። ብኻልእ ወገን ሚኒስትር ምቁጽጻር ሓደጋታት ባንግላድሽ፡ ክሳብ ክልተ ሚሊዮን ሰባት ንምውጻእ መደብ ከም ዘለዎ ንቢቢሲ ገሊጹ። ኣካላዊ ርሕቐት ንምሕላው ዝሕግዙ መዕቆቢ ማእከላት ከም ዝተዳለውን፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከም ዝዕደልን እውን ሓቢሩ። ኣብ ህንዲ ዘለው ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ግን፡ ከምዚኦም ዝበሉ ቦታታት ንምድላው ይጽገሙ እዮም ዘለው። ንኣብነት ኦሪሳ ካብቶም ዘለውዋ 800 ማእከላት እቶም 250 መወሸቢ ማእከላት ኮሮናቫይረስ ኮይኖም እዮም ዘገልግሉ ዘለው።","category":"ህንዲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52734817"} {"headline":"ናይጀርያ፡ ተጨውየን ዝነበራ 279 ተማሃሮ ነጻ ወጺአን","content":"ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ናይጀርያ ዞባ ዛምፋራ ካብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ዝተጨውያ ተማሃሮ ነጻ ከምዝወጽኣ ተገሊጹ። ላዕለዋይ ኮምሽነር ጸጥታን ውሽጣዊ ጉዳይን ናይጀርያ ኣቡበከር ሙሓመድ ዳኡራን ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ 279 ተማሃሮ ካብቶም ጨወይቲ ከምዝተፈነዋን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኸኣ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ዞባ ዝኾነት ጋሱዋ ከምዝርከባን ኣብሪሁ። ኣብ መጀመርታ ቁጽሪ ናይተን ካብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ዝተጨወያ ካብ 12 ክሳብ 16 ዕድሚኤን ተማሃሮ 317 እየን ተባሂሉ እኳ እንተተገለጸ፡ ላዕለዋይ ኮምሽነር ጸጥታን ውሽጣዊ ጉዳይን ናይጀርያ ኣቡበከር ሙሓመድ ዳኡራን ግን ኣብ ኢድ እቶም ጨወይቲ ዝተረፋ ተማሃሮ ከምዘየለዋ ብምሕባር እቲ ኣቀዲሙ ዝተገለጸ ቁጽር ትኽክል ዘይምንባሩ ተኣሚኑ። እቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ነተን ተማሃሮ ብኸመይ ኣገባብ ካብ ኢድ ጨወይተን ከምዘምለስወን ግን ኣይሓበረን። ኣብ ናይጀርያ ብሓፈሻ ብፍላይ ኸኣ ኣብ ሰሜን ናይጀርያ ዝርከቡ ዕጡቃት ጉጅለታት፡ ተማሃሮ ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ብምጭዋይ ነጻ ንኽሰድወን ገንዘብ ከምዝሓቱ እዩ ዝግለጽ። እተን ነጻ ወጺአን ዝብሃላ ዘለዋ ተማሃሮ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ብረት ዝዓጠቑ ጉጀለ ናብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ዘሊሎም ብምእታው ጨውዮም’ዮም ናብ ጫካ ሒዞመን ከይዶም። ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሓመዱ ቡሃሪ ነቲ ጭውያ ተማሃሮ ኣትሪሩ ብምኵናን ነቲ ተግባር ‘ዘይሰብኣውን ዘይቅብሉን’ዩ” ድሕሪ ምባል ብቅልጡፍ ክፍነዋ ኣትሪሩ ተማሕጺኑ። ፖሊስ ናይጀርያ ብወገኑ ነተን ተማሃሮ ነጻ ንምውጻእ ብኽልተ ሄሊኮፕተራት ተሓጊዙ ምድራውን ኣየራውን ስርሒት ከምዝጀመረ ብሰንበት ገሊጹ ነይሩ። እንተኾነ እዘን ተማሃሮ በቲ ስርሒት ድየን ነጻ ወጺአን፡ ዋላስ ገንዘብ ተኸፊልወን ወይ’ውን ብኻልእ መንገዲ ዝተሓበረ የለን። ኣማሓዳሪ ዞባ ዛምፋራ ቤለ፥ኦ ማታዋለ ነተን ተመሃሮ ኣመልኪቱ ሎሚ መግለጺ ክህብ ትጽቢት ይግበር።","category":"ድኽነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/56249323"} {"headline":"ካናዳ፡ ነቶም ተነጽሎታትን ግፍዕን ዝበጽሖም ደቀ'ባት ህጻናት 31 ቢልዮን ዶላር ክትክሕስ ተመባጺዓ","content":"ካናዳ፡ ነቶም ኣብ መናበዩ ህጻናት እንከለዉ ተነጽሎታት በጺሕዎም ዝተብሃለ ደቀ'ባት ህጻናትን ስድረኦምን ዝኸውን 31 ቢልዮን ዶላር ክትክሕስ ምዃና መብጽዓ [መጽብዓ] ኣትያ። ኣብ 2016 ወርሒ መስከረም ኣብ ዝነበረ መጋባእያ ቤት ፍርዲ፡ መንግስቲ ነቶም ደቀ'ባት ህጻናት ዝምሃሩለን ዝነበሩ ኣብያተ ትምህርቲ ውሑድ ምወላ ይስልዓለን ምንባሩ ከምዘረጋገጸ ነጊሩ ነይሩ። ብመሰረት እዚ ሕጂ ወጺኡ ዘሎ ኣብተን ካብ 2006 ጀሚረን ናብ ማሕበራዊ ድሕነት ዝተሰጋገራ መናበዩ ህጻናት ዝምሃሩ ዝነበሩ ተማሃሮ ነፍሲ ወከፎም 31350 ዶላር ካሕሳ ክውሃቦም'ዩ። መንግሰቲ ነቲ ብይን ይግባይ ክብለሉ ምዃኑ'ኳ ገሊጹ እንተነበረ፡ ኣብተን ክሳብ 1996 ኣብ ንጡፍ ስራሕ ዝነበራ መናዩ ህጻናት ልዕሊ 1100 ዘይተሰነደ መቃብር ምስ ተረኸበ ግን ነቲ ይግባይ ናይ ምባል ሓሳብ ከምዝገደፎ ይፍለጥ። ክሳብ 1996 ኣብ ካናዳ ዝነበረ ስርዓተ ትምህርቲ፡ ህጻናት ናይቶም ደቀ'ባት ካናዳውያን ብህጻንነቶም ካብ ወለዶም ተፈልዮም ኣብ መናበዩ ህጻናት ኮይኖም ከምዝምሃሩ እዩ ዝግበር ነይሩ። ኣብቲ መናበዩ ህጻናት ብዙሕ መግረፍቲ፡ ጥምየትን ጺታዊ ዓመጻትን የጋጥሞም ምንባሩ ኸኣ ድሒሩ ዝተገበረ መጽናዕቲ የረድእ። ብዘይካ እዚ እቶም ህጻናት ቋንቋ ኣዲኦም ገዲፎም ቋንቋታት እንግሊዝን ፈረንሳን ክዛረቡን ሃይማኖቶም ናብ ክርስትያን ክቕየሩን ይግደዱ ምንባሮም'ውን ሰነዳት ይሕብሩ። ላዕለወይቲ ሓላፊት ባይቶ ደቀ'ባት ካናዳ ሮስ ኣን \"ገንዘብ ፍትሒ ኣይኮነን፡ እንተኾነ ኣብ መንገዲ ደበስን ፍትሕን ምህላውና ዘርኢ'ዩ\" ኢላ። ኣብቲ ካብ 1874 ክሳብ 1996 ዝካየድ ዝነበረ ህጻናት ካብ ወለዶም ወሲድካ ኣብ መናበዩ ህጻናት ናይ ምዕባይ መስርሕ ልዕሊ 150 ሽሕ ህጻናት ኣብቲ መናበዪ ህጻናት ከምዝኣትዉ ከምዝተገበረ ሮስ ኣን ገሊጻ። ነቲ ህጻናት ዝነባይሉ ዝነበሩ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብያተ ክርስትያን ካናዳ'የን ዝምውለኦን ዘካይድኦን ነይረን።","category":"ድኽነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59647866"} {"headline":"ኣስታት 400 ሽሕ መንእሰይ ትግራይ ሸቕሊ ኣልቦ ምዃኖም ተገሊጹ","content":"ኣብዚ እዋን፡ ካብ 25 ክሳብ 30 ሚእታዊት መናእሰይ ትግራይ ስራሕ ኣልቦ ከም ዝኾኑ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ንቢቢሲ ገሊጹ። እቲ ማሕበር፡ ኣብቲ ክልል ካብ 18 ክሳብ 35 ዓመት ዝኾኑ 1.2 ሚልዮን መናእሰይ ከም ዘለው ክገልጽ እንከሎ፡ ካብ መንጎኦም ኣስታት 400 ሽሕ ስራሕ ኣብ ምንዳይ ከምዘለው ሓቢሩ። ኣቦ መንበር እቲ ማሕበር ኣቶ ሰናይ ክሓሰ፡ ኣብ ትግራይ ሰፊሕ ድኽነትን ሽቕለት ኣልቦነትን ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ክልቲኦም ተደሚሮም እቲ ዝበዝሕ ክፋል ሕብረተሰብ ዝኾነ መንእሰይ ንዝተፈላለዩ ጸገማት ይቃላዕ ከምዘሎ ኣረዲኡ። \"ትግራይ ንጹር ፕሮግራም ልምዓት መንእሰይ ስለ ዘይብላ ድማ፡ ኣብ ህንጸት እቲ መንእሰይ ስፍሕ ዝበለ ክፍተት ኣሎ\" ዝብል ኣቶ ሰናይ፡ ብኸመይ ናይ ስራሕ ባህሊ የዕቢ? ንነብሱን ስድርኡን ክገብሮም ዝግባእ ተግባራት እንታይ'ዮም? ዝብል ግንዛበ ከምዘይህልዎ ገይሩ ክብል ነቒፉ። ካብዚ ብዝብገስ ድማ፡ እቲ መንእሰይ ንሽቕለት ኣልቦነት ተቓሊዑ፡ ኣብ መስተን ወልፊታትን ካልእ ማሕበራዊ ቅልውላውን ይጽመድ ስለዘሎ፡ እቲ ህንጸት መንእሰይ ከካይድ ዝግብኦ መንግስታዊ መሓውርን ዝምልከቶ ሲቪክ ማሕበረሰብን ሓላፍነት ክስከም ኣለዎ ይብል ኣቦ መንበር እቲ ማሕበር። እቲ ካልእ ዓብዪ ጸገም፡ ትግራይ ናብ መንእሰያት ዝጠመተ ንጹር ፖሊሲ ከምዘይብላ ዝገልጽ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ፡ እቲ ክውንነት ነዚ ሕጂ ኣብ መንእሰያት ዝረአ ዘሎ ሽቕለተ ኣልቦነት ዘንጸባርቕ እዩ ይብል። እቲ ሕጂ ዘሎ [ፖሊሲ] ካብቲ ብ1996 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ካብ ሃገራዊ ፖሊሲ ዝተቐድሐ ምዃኑ ዝዛረብ ኣቶ ሰናይ ክሓሰ፡ \"ክትሪኦ ከለኻ ብዛዕባ ሰበኽ ሳግም እዩ ዘውግዕ\" ብምባል ከምዘይተመሓየሸን ነቲ ፖሊሲ ዘፈጽም ፓኬጅ'ውን ተመሳሳሊ ጸገም ከምዘለዎን ይዛረብ። \"መንእሰይ ንቕሓተ ሕልንኡ ኣስፊሑ ክሰርሕ ዘይኮነስ መንግስቲ ከም ገባሪ መንእሰይ ከኣ ሓታቲ ምዃኑ ዝነግር ፓኬጅ እዩ ዘለና። ኣነ እዚ ክገብረልካ እየ ንስኻ ከዓ ድልው ኩን ዝብል እዩ ናይ ትግራይ ናይ መናእሰይ ፓኬጅ። እዚ ድማ መንእሰይ ኣብ መንግስቲ ጥራሕ ተጸጊዑ ከምዝነብር ዝገብር እዩ\" ኢሉ። ካብዚ ብምብጋስ ከኣ ነቲ መናእሰይ መሃዝቲ ስራሕ ንከይኾኑ ጸቕጢ ዝገብር ፖሊስ ብምዃኑ እቲ ኣቦ መንበር ይነቕፎ። ድኽንትን ስእነት ስራሕን ኣብ ዝህልወሉ ኣጋጣሚ መናእሰይ ተስፋ ብምቑራጽ ኣድላዪ ናብ ዘይኮኑ ስራሕቲ ክኣትው ከም ዝደፋፍኦም ይዛረብ። \"ተስፋ ምቑራጽ ክፍጠር ከሎ ናብ ኣልኮላዊ መስተን ካልኦት ወልፊታትን ስለ ዘምርሑ ናብ ክትራንን ካልእን ዝኣትው መናእሰይ ኣለው ዝብል ብመጽናዕቲ ኣረጋጊጽና ኢና። ካልኦት ምቹእ ኩነታት እናሃለዎም ነቲ ዝረኽቡዎ ጸጋ ዘይጥቀሙ'ውን ኣለው፤ ግን እቲ ጉድለታት ይዛይድ\" ኢሉ። ከም ሓበሬታ ማሕበር መናእሰይ እቲ ክልል እንተኾይኑ ኣብ ትግራይ፡ ዓመታዊ ኣብ ወርሒ ጥሪ መድረኽ ስራሕ ኣልቦ ሰባት የካይድ እዩ። እዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዕድል መሰረት ተገይሩ መንግስቲ'ውን ዝሕዞም መደባት ሕርሻ ከተማ፣ ማዕድንን ካልኦት መንእሰይ ዝሳተፈሎም ግንባራትን ብዝርዝር ዝቐርብሉ ኮይኑ፡ ኣብዚ እቶም መናእሰይ እኹል ዕድል ከም ዘሎዎም ይንገሮም። እንተኾነ፡ ኣብዚ ክልተ ጉድለታት ኣለው ብምባል እቲ ኣቦ መንበር ይጠቅስ። ሓደ መንግስቲ ዘቕርቦም ቀረባት፡ እቲ መንእሰይ ኣብ ዝደልዮ ሰዓት ዘይምቕራቦም'ዩ። \"ልቓሕ ሓቲቶም ሓደ ዓመትን ልዕሊኡን ዝጽበዩ መናእሰይ ኣለው። ስራሕ ዕድል ተፈጢሩሎም (ክሬቸር) ግን ድማ መሰረተ ልምዓት ብዘይምህላው ንልዕሊ ክልተ ዓመት ስራሕ ከይጀመሩ ዝጸንሑ መናእሰይ ኣለው። . . . መስርሕን መሸጥን ቦታ ተዋሂቡዎም መሰረተ ልምዓት ማይን መብራህትን ከምኡ'ውን መገዲ ብዘይምምልኡ ንብዙሕ ዓመታት ዝከላበቱ መናእሰይ ኣለው። ነዚ ንክረኽቡ ብዙሕ ግዜ እዩ ዝወስድ። እዚ መንግስቲ ናይ ኣፈጻጸረማ ጉድለት ከርኢ ከሎ ኣብቲ መንእሰይ'ውን ተስፋ ናይ ምቑራጽ ዝንባለ ይመጽእ፡ ኣይሕግዙናን ናብ ዝብል ስምዒት ይኣቱ\" ብምባል የብርህ። እቲ ፓኬጅ መናእሰይ ብጽሒት ዝተፈላለዩ ኣካላት ብዝርዝር ስለዘይሕብር ካልእ ጸገም እዩ። እዚ ማለት ወለዲ እንታይ'ዮም ክሕግዙ? ሰብ ሃፍቲ እንታይ ይገብሩ? ማሕበረተሰብ ታይ ይሕግዝ? ዝብል ስለ ዘየነጽር ኩሉ ኣብ መንግስቲ ዝተንጠልጠለ ስለ ዝኾነ፡ እቲ መንእሰይ ባዕሉ ደላልዩ ስራሕ ንክረክብ እቲ ፓኬጅ ዕንቅፋት ይኾኖ ኣሎ ዝብል ርድኢት ኣለዎ እቲ ኣቦ መንበር። \"ብደረጃ ክልል ኣብ ዝካየዱ መድረኻት እዝን እዝን ክንሰርሕ ኢና ዝብል ቃል ተኣትዩ ዝተጀመረ ነገር ኣሎ። እንተኾነ ኣብቲ መድረኽ ተረዳዲእኻሎም እትወጽእ ነገራትን ኣብ ትግባረ ዓብዪ ክፍተት ኣሎ\" ይብል ኣቶ ሰናይ። ከም ማሕበር ምስ ድጋፍ ወሃብቲ ትካላት ብሓባር ዝሰርሕ'ኳ እንተኾነ፡ እቲ ዓብዪ ድጋፍ ግን ናይ መንግስቲ ሃብቲ ስለ ዝኾነ ንዕኡ ተጠቒሙ ከተኣሳስሮም ከም ዝጽዕር ይገልጽ። \"ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ መንእሰይ ትግራይ ብሄራዊ ረብሓ ትግራይ ከይንካእ ዝገብሮ ዘሎ ቃልሲ፡ ቀሊል ኣይኮነን፤ ብናይ ባዕልና ድኽመት ማሕበራዊ ቅልውላው ዘጋጥሞም ውሑዳት መናእሰይ ከኣ ኣለው። ስለዚ ነዚኦም ዝኣሊ፣ ናብ ስሩዕ ስራሕ ዘእቱ፣ ፕሮግራም ቀሪጽካ ክስራሕ ኣለዎ\" ክብል ከኣ ይላቦ።","category":"ድኽነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54745462"} {"headline":"ቁጠባ፡ ኣፍሪቃ \"ብዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ 836 ቢልዮን ዶላር ስኢና\" ተባሂሉ","content":"ኣፍሪካ ክሳብ 2015 ኣብ ዝነበሩ 15 ዓመታት ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ 836 ቢልዮን ዶላር ከምዝሰኣነት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኤጀንሲ ንግድን ልምዓትን (ዩ ኤን ሲ ቲ ኤ ዲ) ዝዘርግሖ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። እዚ ምስቲ ኣብ 2018 ዝነበራ 770 ቢልዮን ዶላር ናይ ደገ ዕዳ ክነጻጸር ከሎ፤ \"ሕልፊ ኣለቃሒት\" ከምዝገብራ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ'ሎ። እቲ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ብቐንዱ ከም ወርቂ፣ ኣልማዝን ፕላቲንየምን ዝበሉ ዝለዓለ ክብሪ ዘለዎም መዓድናት ናብ ደገ ሰደድ ምስ ምግባር ዝተሓሓዝ ከምዝኾነ ይግለጽ። ኩሎም እቶታት ድማ ብብልሽውና፣ ስርቅን ምስዋር ግብርን ይጠፋፍኡ። ዋና ጸሓፊ እቲ ኤጀንሲ ንግድን ልምዓትን ሕቡራት ሃገራት ሙኪሳ ኪቱዪ \"ዘይሕጋዊ ፋይናንሳዊ ዋሕዚ ንትጽቢታት ኣፍሪቃን ህዝብታታን ይጉሕል፤ ግልጽነትን ተሓታትነትን የጉድል ከምኡ'ውን ኣብ ትካላት ኣፍሪቃ ዘሎ እምነት ይምሕው ኣሎ\" ኢሉ። እቲ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ገንዘብ መጠኑ ብዙሕ'ኳ እንተኾነ ነቲ ኣብ ባይታ ዝፈጥሮ ጸገምን ሳዕቤናቱን ግን ብቐሊሉ ክገልጾ ከምዘይክእል እቲ ጸብጻብ ኣዘኻኺሩ። በዚ መገዲ ዝጠፍእ ገንዘብ ከኣ መንግስታት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ከም ሓለዋ ጥዕና፣ ትምህርትን መሰረተ ልምዓትን ንዝገብርዎም ንጥፈታት የዳኽም። \"ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብን ብልሽውና ንሸርፊ ወጻኢ ብምድራቕ፤ ንፍርያት ውሽጢ ዓዲ ብምድኻም፤ ኣብ ንግድን ማክሮኢኮኖሚን ምንጋዕ ብምፍጣር ከምኡ'ውን ንድኽነትን ዘይፍትሓውነትን ብምስፋሕ ንልምዓት ኣፍሪቃ ዘተዓናቕፍ'ዩ\" ኢሉ እቲ ዋና ጸሓፊ።","category":"ድኽነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54336244"} {"headline":"ናብራ ክኸብር ዝገብሩ ዘለዉ ሸውዓተ ቀንዲ ምኽንያታት","content":"ኣብዚ እዋን ኣብ ምሉእ ዓለም ልዑል ወሰኽ ሸቐጣት ይረኣይ ብምህላዉ ናብራ እናኸበረ ይመጽእ ኣሎ። ብደረጃ ዓለም ዘሎ ዝቕባበ ዋጋ ካብ 2008 ንደሓር እቲ ዝለዓለ ኮይኑ ከምዝተመዝገበ ይግለጽ። ነዚ ምኽንያት ካብ ሞንጎ ዝኾኑ ነገራት ገሊኦም ዝስዕቡ’ዮም። 1. ወሰኽ ዋጋ ጸዓትን ነዳዲን ዋጋ ነዳዲ ኣብ ምጅማር ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣንቆልቊሉ’ኳ እንተነበረ ካብኡ ንደሓር ግን ጠለብ ብዝለዓለ መጠን ወሲኹ። ኣብዚ ቕነ ድማ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ዓመታት ዝለዓለ ኮይኑ ተመዝጊቡ’ሎ። ኣብዚ እዋን ኣብ ኣሜሪካ ማእኸላይ ዋጋ ቤንዚን ንሓደ ጋሎን (3.7 ሊትሮ) ክሳብ 3.31 ዶላር ይበጽሕ። ዓሚ ግን 2.38 ዶላር ነይሩ። ኣብ ብሪጣኒያን ሕብረት ኣውሮጳን እውን ተመሳሳሊ ኩነታት’ዩ ዘሎ። ዋጋ ጋዝ እውን ብምውሳኹ ኣብ መላእ ዓለም ብዙሓት ናብ ጸገም ክኣትዉ ገይሩ ይርከብ። ናይዚ ምኽንያት ድማ ብወገን እስያ ዘሎ ጠለብ ብዝለዓለ መጠን ብምውሳኹ’ዩ። ኣብ ኣውሮጳ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ዛሕሊ’ውን ንጠለብ ጋዝ ክንህር ከም ዝገበሮ ይግለጽ። 2. ሕጽረት ሸቐጣት ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን መብዛሕቲኦም እቶም መዓልታዊ ዝጥለቡ ሸቐጣት ዋግኦም ሰማይ ዓሪጉ’ሎ። ሰባት ብሰንኪ ዕጽዋ ናብ ሬስቱራንትን ንምዝናይን ስለዘይወጽኡ ኣብ ገዝኦም ኣድላዪ ምምሕያሻትን ምትዕርራያትን ንምግባር ተገዲዶም’ዮም። ፋብሪካታት ብፍላይ ድማ ኣብ እስያ ዝርከባ፡ መብዛሕቲኤን ብሰንኪ መምርሒታት ለበዳ ኮቪድ ክዕጸዋ ስለዝተገደዳ ንጠለባት ከማልኣ ኣይከኣላን። በዚ ምኽንያት ከኣ ኣብ ፍርያት ፕላስቲክ፣ ኮንክሬት (ካሻስትሩስ)ን ሓጺንን ሕጽረት ስለዘጋጠመ ልዑል ናህሪ ዋጋ ኣጋጢሙ። ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ከም ናይክን ኮስትኮን ዝበሉ ቸርቻሮ ድማ ወሰኽ ክገብሩ ተገዲዶም ኣለዉ። ናይዚ ምኽንያት ከኣ ኣብ ቀረባት ዘሎ ወሰኽ ዋጋ’ዩ። ንኮምፒተራት፣ ማኻይንን ካልኦት ናይ ገዛ ኣቑሑትን ዝውዕሉ ‘ማይክሮቺፓት’ [ኣዝዮም ነኣሽቱ ኤሌክትሮኒክ ናውቲ] ሕጽረት ቀረብ ስለዘሎ ዋግኦም ወሰኽ ተረኣእይዎም ኣሎ። 3. ናይ መጓዓዓዝያ ወጻእታት ብደረጃ ዓለም ዝተፈላለዩ ኣቑሑትን ሸቐጣትን ዘጓዓዕዙ ዓበይቲ ኩባንያታት ኣብዚ እዋን ሰፊሕ ጠለብ ስራሕ ይቐርበሎም ምህላዉ ይግለጽ። በዚ ምኽንያት ከኣ ነጋዶ ሸቐጣቶም ናብ መኻዚኖታቶም ክሳብ ዝበጽሕ ብዙሕ ገንዘብ ክኸፍሉ ይግደዱ ኣለዉ። ነጋዶ ንመጓዓዝያ ሸቐጣቶም ዝኽፍልዎ ዋጋ እንተወሰኹ ከኣ ተጠቀምቲ ኣብ ዝዕድግዎ ነገር ወሰኽ ዋጋ ይጽንሖም ኣሎ ማለት’ዩ። ኣብዚ እዋን ካብ እስያ ናብ ኣውሮጳ እትለኣኽ ሓንቲ 40 ጫማ (12.19 ሜ ንውሓት x 2.438 ሜ ስፍሓት x 2.591 m ቁመት) ኮንቴይነር ክሳብ 17,000 ዶላር ይኽፈለላ። እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ልዕሊ 10 ዕጽፊ ይበጽሕ። ቅድሚኡ 1500 ዶላር ጥራሕ ነይሩ። ካብ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ግን ኣብ ዋጋ መጓዓዝያ ቁሩብ ምንካይ ዝተረኣየ’ኳ እንተኾነ ኦሚክሮንን ካልኦት ኣብ ቀጻሊ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ሓደሽቲ ዓሌታት እቱ ቫይረስብ ነቲ ምንካይ ናብ ዝነበሮ ከይመልስዎ ይስጋእ። 4. ወሰኽ መሃያ\/ዓስቢ ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን ብዙሓት ሰባት ስራሕ እናገደፉ ክወጽኡ ወይ ስራሕ ክቕይሩ ተገዲዶም’ዮም። ኣብ ኣሜሪካ ጥራይ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ልዕሊ 4 ሚልዮን ሰባት ስርሖም ከምዘቋረጹ ክፍሊ ሸቕሊ እታ ሃገር ዘውጽኦ መረዳእታ የመልክት። እዚ ድማ ዝለዓለ ኮይኑ ተመዝጊቡ’ሎ። በዚ ምኽንያት ከኣ ፋብሪካታት ከም ዘወርቲ መኪና፣ ኣብ ምድላውን ምዕሻግን መግቢ ዝሰርሑ ሰባት ከምኡ’ውን ናይ ኣብያተ ምግቢ ኣሳሰይቲ ኣብ ምርካብ ተጸጊሞም ኣለዉ። ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከቡ 50 ዓበይቲ ትካላት ንግዲ ዝተኻየደ ዳህሳስ ከምዘመልክቶ፡ 94 ሚኢታዊት ካብቶም ትካላት ንዝጎደልዎም ሰራሕተኛታት ክትክኡ ኣይከኣሉን። በዚ ምኽንያት ድማ ኩባንያታት ዝሓሸ ክፍሊት ክኸፍሉን መተባብዒታት ከቕርቡን ዝተገደዱን ኮይኖም፤ ንኣብነት ኣማዞንን ማክዶናልድን ካብ 200 ክሳብ 1000 ዶላር ዝበጽሕ መተባብዒ የቕርቡ። እዚ ከኣ ኣብ ዘፍርይዎም ፍርያት ወሰኽ ዋጋ ንኽገብሩ የገድዶም። 5. ክሊማዊ ጽልዋ እቲ ኣዝዩ ጽንኩር ዝኾነ ኩነታት ኣየር ኣብ ብዙሓት ክፋላት ዓለም ዝቕባበ ንኽህልው ጽልዋ ኣሕዲሩ ይርከብ። እቶም ብገማግም ሜክሲኮ ዝሓለፉን ንትሕተ-ቅርጺ (መሰረተ-ልምዓት) ነዳዲ ኣሜሪካ ዝሃሰዩን ህቦብላታት ኢዳን ኒኮላስን ንዓለማዊ ቀረብ ነዳዲ ጸሊዮምዎ’ዮም። ኣብ ኣሜሪካ ቴክሳስ ዝርከቡ ፋብሪካታት ብሰንኪ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብናይ ሓጋይ ማዕበል ምስተሃሰዩ ነቲ ኣብ ‘ማይክሮቺፕስ’ ጽልዋ ብምፍጣሩ ንጠለባት ምምላእ ኣይተኽኣለን። እታ ኣብ ዓለም ብመፍረ ቡን እትፍለጥ ብራዚል ብሰንኪ ዘጋጠማ ሕሱም ድርቂ ናብ ዕዳጋ እተቕርቦ ብምንካዩ ኣብ ዋጋ ዝለዓለ ወሰኽ ተራእዩ’ሎ። 6. ናይ ንግዲ ዕንቅፋታት\/መሰናኽላት ብዝለዓለ ዋጋ ናብ ዓዲ ዝኣትዉ ሸቐጣት እውብ ኣብ ምውሳኽ ዋጋ ብጽሒት ኣለዎም። ብድሕሪ ብረግዚት እቶም ብሪጣንያ ካብ ኣውሮጳ ተእትዎም ዝነበረት ነገራት ክንክዩ ዝገብር ሕጊ ከምዘውጽአት ይፍለጥ። ኣሜሪካ ድማ ኣብቶም ካብ ቻይና ዝኣትዉ ሸቐጣት ዝኽፈል ቀረጽ ክውስኽ ብምግባራ፡ ነቶም ሸቐጣት ዝዕድጉ ተጠቀምቲ በቲ ወሰኽ ዋጋ ክህሰዩ ገይሩ’ሎ። ቻይናዊ ኩባንያ ቴሌኮም ህዋዌ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብኣሜሪካ ማዕቐብ ምስተገበረሉ ንኣሜሪካውያን ኣቕረብትን ብደረጃ ዓለም ዘለዉ ተጠቀምትን ክጽለዉ ኪኢሉ’ዩ። 7. ምቁራጽ ኣብ እዋን ለበዳ ዝወሃብ ዝነበረ ሓገዝ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መንግስታት ንጽልዋ ኮሮናቫይረስ ከቃልሉ ብምሕሳን ንትካላት ንግዲ ዝገብርዎ ዝነበረ ሓገዝ የቋርጽዎ ኣለዉ። ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን ከኣ መንግስታት ሃገራት ዘውጽእዎም ወጻእታት ይውስኹን ዝልቅሕዎ ልቓሕ ይቑለልን ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ መጠን ግብሪ ወሰኽ ክህልው ይገብር።","category":"ድኽነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60066967"} {"headline":"መድሓኒት ዝተላመዱ ተላገብቲ ሕማማት ሚልዮናት ይቐትሉ ኣለዉ- መጽናዕቲ","content":"ኣብ 2019 ጥራይ ልዕሊ 1.2 ሚሊዮን ሰባት ብመድሃኒት ዝተላመዱ ብባክትርያ ዝመሓላለፉ ተላገብቲ ሕማማት ከምዝሞቱ ሓደ ዓለምለኻዊ መጽናዕቲ ሓቢሩ። እዚ ድማ፡ ዓመታዊ ሕማም ዓሶ ወይ ድማ ብኤችኣይቪ ኤድስ ካብ ዝሞቱ ንላዕሊ እዩ። ድኻ ሃገራት ነዞም መድሃኒት ዝተላመዱ ሕማማት ብብዝሒ ተቓላዕቲ እንተኾኑ'ኳ፡ እዞም ብባክተርያ ዝመሓላለፉ ሕማመት ንኹሉ ዓዲ ኣስጋእቲ እዮም ኢሉ እቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ። ንከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሕማማት ህጹጽ ትኹረት (ኢንቨስትመንት) ምግባር ከምዘድሊ ዝገልጽ ውጽኢት እቲ ጸብጻብ፡ እቶም ሕዚ ኣገልግሎት ዝህቡ ዘለዉ መድሃኒታት ብልዑል ብልሓትን ጥበብን ምጥቃም ከምዘድሊ'ውን ሓቢሩ። መከላኸሊ ባክተርያ መድሓኒት ኣብዚሕካ ምጥቃም ሕማማት ናይ ምክልኻል ኮነ ናይ ምፍዋስ ዓቕሞም እናጎደለ ከምዝመጽእ'ውን ወሲኹ ኣሪዲኡ። እቲ ጸብጻብ እቲ መጽናዕቲ ከምዝብሎ፡ ብዙሓት ሰባት ቅድሚ ሕዚ ኣዝዮም ብዝፍለጡን ቀለልቲ ዝበሃሉን ተላገብቲ ሕማማት ህይወቶም እናሓለፈ እንትኸውን፡ ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ እቶም ሕማማት ነቲ መድሓኒት ተላሚዶም ምጽንሖም እዩ ኢሉ። ብኻልእ ወገን፡ ዓለምና ካብ ለበዳ ኮቪድ ምስ ወጽአት ሰባት በቶም መድሓኒታት ዝተላመዱ ሕማማት ከምዝጥቅዑን ስግኣታት ክኾኑ ከምዝኽእሉን ሰብ ሞያ ዓዲ እንግሊዝ ይዛረቡ። እዚ ላንሴት ዝተብሃለ ትካል ኣብ 204 ሃገራት ብዝኣከቦ ሓበሬታ እዩ ነቲ መጽናዕቲ ኣካይዱ ነዚ ውጽኢት ዕላዊ ገይሩ። በቲ መጽናዕቲ መሰረት ኣብ 2019 ጥራይ ክሳብ 5 ሚልዮን ዝበጽሑ ሰባት ብዝተፈላለዩ ሕማማት ዝሞቱ ኮይኖም፡ ካብ መንጎኦም ኣስታት 1.2 ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት መድሃኒት ብዝተላመዱ ሕማማት እዩ ህይወቶም ሓሊፉ። በዚ ዓመት ኤችአይቪ ኤድስ ን860 ሺሕ ሰባት ህይወት ምስኣን ምኽንያት እንትኸውን፡ ዓሶ ድማ 640 ሺሕ ሰባት ቀቲሉ ይብል። ካብቶም ቀንዲ ብኸምዚ ዓይነት ሰባት ዝቐትሉ ሕማማት፡ ሕማም ሰዓልን ረኽሲ ደምን ይርከቦም። እቲ መጽናዕቲ ከምዝብሎ፡ ብከምዚ ዓይነት ሕማማት ህይወቶም ካብ ዝሓለፉ ሰባት፤ እቶም ዝበዝሑ ህጻናት እዮም። ካብቶም ዝሞቱ ሓሙሽተ ሰባት እቲ ሓደ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻን እዩ። ኣብ ትሕቲ ሳህራ ዝርከባ ዓድታትን ኣብ ድኻ ሃገራት ደቡባዊ ኤስያ ካብ 100 ሺሕ ሰባት 24 በዚ ዓይነት ሕማማት ህይወቶም ከምዝሓልፍ፡ ብኣንጻሩ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ግና እቲ ቁጽሪ፡ ናብ 13 ከምዝወርድ እቲ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።","category":"ድኽነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60034846"} {"headline":"ቆልዓ ሽዱሽተ ወርሒ ብ60 ዶላር ሸይጣ ዝተባህለት ኣደ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ኣትያ","content":"ጓል 26 ዓመት ከምዝኾነት ዝንገረላ ኣዶ ንጓላ ናብ መሸጣ ኣቕሪባ ብዝብል ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ተጠርጢራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ከምዝኣተወት ተገሊጹ። እታ ላይበራዊት ኣደ ንጓል 6 ወርሒ ሕንጣይ ጓላ ንሓንቲ ዘይትፈልጣ ሰበይቲ ብ60 ዶላር ከም ዝሸጠትላ ዝተገለጸ ኮይኑ በዚ ድማ ክሲ ቀሪቡላ’ሎ። እታ ክስስቲ ኣደ ጓላ ንኽተዕቢ ተጸጊማ ከም ዝነበረት ዝተሓበረ ኮይኑ ምናልባት’ውን እዚ ጓላ ንኽተሸይጥ ኣገዲድዋ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት። እንተኾነ እታ ኣደ ንጓላ ሸይጣ ዝብልን ብፖሊስ ዝቐረበለ ክሲ ዝተቓወመት ኮይና ንጓላ ብገንዘብ ከም ዘይቀየረት ተዛሪባ። ፖሊስ ዘቕረቦ ናይ ክሲ መረዳእታ ከም ዘመላኽቶ እታ ክስስቲ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ክትኣቱ ዝኸኣለት ኣቦ እታ ቆልዓ ስለ ዝኸሰሳ’ዩ። እታ ኣዶ ብሰንኪ ዘጋጠማ ጸገም ነታ ሕንጣይ ንካልእ ውልቀ ሰብ ኣሕሊፋ ድኣ ሂባ እምበር ከምቲ ዝተባህለ ገንዘብ ተቐቢላ ከም ዘይሸጠታ ንመርመርቲ ፖሊስ ተዛሪባ። እንተኾነ እቲ እታ ህጻን መንነታ ንዘይተፈለጠ ሰበይቲ ክትወሃብ መገዲ ጸሪጉ’ዩ ዝተባህለ ውልቀሰብ፡ እታ ኣደ ገንዘብ ከም ዝተቐበለት መስኪሩ’ዩ። ድልየታት ሕንጣይ ጓላ ኣማሊኣ ንኽተዕቢ ኣብ ጸገም ከም ዝነበረት ዝገለጸት እታ ኣደ ጓላ ንዘይትፈልጣ ሰበይቲ ክትህብ ከም ዝተሰማምዐት ሓቢራ። ንሳ ከም ዝበለቶ እንተድኣኾይኑ ንፖሊስ ሓበሬታ ሂቡ ዘእሰራ ኣቦ ናይታ ህጻን፡ ጓሉ ንምዕባይ ሓላፍነቱ ብዝግባእ ስለ ዘይተዋጽአ ንብሕታ ጻዕሪ’ኳ ክትገብር እንተጸንሐት መገዲ ህይወት ኣመና ከም ዝኸበዳ ተዛሪባ። “ንጓለይ ኣይሸጥኩን፣ ኣብ ጸገም እነብር ስለ ዘለኹ ሓብሒባ ከም እትዕብያ ቃል ንዝኣተወትለይ ሰበይተ’የ ሂበያ” ኢላ። ፖሊስ ብዘካየዶ ምርመራ ኣታ ኣዶ ብዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ከምኡ’ውን እታ ህጻን ንኽትሽየጥ ሓጋዚ ነይሩ ዝተባህለ ሰብ ድማ ብሓጋዛይነቱ ብሕጊ ላይበርያ ክሲ ተመስሪትሎም’ሎ።","category":"ድኽነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59709260"} {"headline":"ኣብ ዓለም ሕሱም ድኽነት ይዓቢ ከምዘሎ ዓለማዊ ባንክ ኣፍሊጡ","content":"ድሕሪ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት፡ ኣብ ዓለምና ብኮሮናቫይረስ ዝተደፍአ ሕሉፍ ድኽነት ብቕልጡፍ ናህሪ ይዓቢ ከምዘሎ ዓለማዊ ባንክ ኣፍሊጡ። ብሰንኪ'ዚ ለበዳ ከኣ ኣስታት 115 ሚልዮን ሰባት ናብ ክቱር ድኸነት ክወድቑ ከምዝኽእሉ እቲ ባንክ ይግምት። ለበዳ ኮሮናቫይረስን፣ ኵናት ከምኡ'ውን ክለማዊ ለውጢ ነቲ ኣንጻር ድኽነት ዝግበር ቃልሲ የዛሕትሎ ከምዘሎ ኣረዲኡ። ኣብ 2021 ቁጽሪ እቶም ኣብ ድኽነት ዝነብሩ ሰባት ናብ 150 ሚልዮን ክዓቢ ከምዝኽእል'ውን እቲ መግለጺ ወሲኹ ኣመልኪቱ። ክቱር ድኽነት ክበሃል እንከሎ፡ ሓደ ሰብ ኣብ መዓልቲ ትሕቲ 1.90 ዶለር ክረክብ እንከሎ እዩ። ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምምጽኡ፡ ኣብ 2020 መጠን ድኽነት ብ 7.9 ሚእታዊት ክጎድል ትጽቢት ተገይሩሉ ነይሩ። እንተኾነ፡ ህዝቢ ዓለም ካብ 9.1 ክሳብ 9.4 ሚኢታዊት ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ክጽሎ ከምዝኽእል ዓለማዊ ባንኪ ኣብ ዝወጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ። ብኻልእ ወገን፡ ሃብቲ ናይ ዓለምና ቢልዮነራት፡ ኣብ እዋን ኮሮናቫይረስ ሓዲሽ ክብረ ወሰን ኣመዝጊቡ ይርከብ። ሓለፍቲ ኩባንያታት ቴክኖሎጅን ኢንዱስትሪታትን ኣታዊኦም ብዕጽፊ ከምዝወሰኸ ይግለጽ። ካብ ሚያዝያ ክሳብ ነሓሰ ኣብ ዘሎ ግዜ ጸጋ እቶም ኣብ ዓለምና ዝሃብተሙ ሰባት፡ ብ 10.2 ትሪልዮን ዶላር ሓፍ ከምዝበለ ጸብጻባት ስዊዝ ባንክ ይሕብር። ባንክ ዓለም፡ ካብ 2013 ጀሚሩ ካብ 3 ሚእታዊ ዘይውሕዱ ሰባት ካብ ህዝቢ ዓለምና ኣብ 2030 ትሕቲ 1.90 ዶላር ኣታዊ ክረኽቡ ዕላማ ገይሩ ይሰርሕ ከምዝነበረ ይፍለጥ። እንተኾነ፡ እቲ ሒዝዎ ዝነበረ ዕላማ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ናይ ፖሊሲ ምቅይያርን ኮሮናቫይረስን ዕላምኡ ዝወቅዕ ኣይመስልን። ብመሰረት ጸብጻብ ባንኪ ዓለም፡ እተን ዝያዳ ዝህሰያ ሃገራት ድሮ ኣብ ድኽነት ዝርከባን ማእከላይ እቶት ዘለወንን ሃገራት እየን። ካብ 2015 ክሳብ 2017 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ከባቢ 52 ሚልዮን ሰባት ካብ ድኸነት ከምዝወጽኡን፡ እቲ መጠነ ምጉዳል ድኽነት ግን ኣዝዩ ውሑድ ከምዝኾነን ጸብጻባት ይሕብሩ። እዚ ምስቲ ናይ 1990-2015 ክወዳደር እንከሎ፡ ኣዝዩ ዝሕቱል ዕብየት ከምዝኾነን፡ ኣብቲ እዋን ድማ ዓለማዊ ድኽነት ኣብ ዓመት ብሓደ ሚእታዊት ይጎድል ከምዝነበረን ይፍለጥ። ባንክ ዓለም ነዘን ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት ዘላቒ ምዕባለ ንኹሉ ዘካተተ ቁጣባዊ ሕውየት ክገብራ ክሕግዝ ምዃኑ ኣፍሊጡ'ሎ። እዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝመደበሩ ዓለማዊ ባንክ፡ ንኣስታት 100 ድኻታት ሃገራት ንምሕጋዝ ውሑድ ወለድ ዘለዎ 160 ቢልዮን ዶላር ገንዘባዊ ሓገዝ ኣዳልዩ ከምዘሎ ይገልጽ።","category":"ድኽነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54457385"} {"headline":"ንስለ ደቃ 6 ዶላር ሓቲታ ልዕሊ 65 ሽሕ ዶላር ዝረኸበት ኣደ","content":"ደቃ ክተብልዕ ሓገዝ ዝሓተተት ህንዳዊት ኣደ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ካብ ዘይትፈልጦም ሰባት ብሚልዮናት ዝቝጸር ወፈያ ተቐቢላ። ኣብ ደቡባዊ ክፍለ ግዝኣት ኬራላ እትነብር ጓል 46 ዓመት ሱባድራ፡ በዓል ቤታ ምስ ሞተ ንመግቢ ዝኸውን ተሸጊራ ንመምህር ወዳ 500 ሩፒስ (6 ዶላር) ክትህባ ሓቲታ ነይራ። እታ መምህር በቲ ዘጋጠማ ኵነታት ተደሪኻ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ናይ ሓገዝ ወፍሪ ጀሚራ። ክሳብ ሰንበት ድማ፡ እታ ስድራቤት 5.5 ሚልዮን ሩፒስ ወፈያ ረኺባ። ሱብሃድራ፡ በዓል ቤታ ኣብ ነሓሰ ካብ ዝሞተሉ ኣትሒዛ፡ መነባብሮ እታ ስድራ ክትመልእ ክትቃለስ ጸኒሓ’ያ። ካብ ሰለስተ ደቃ እቲ ዝነኣሰ ሕማም ሴረብራል ፓልሲ (ክእለት ምንቅስቓስን ምዕቃብ ሚዛንን ኣቃውማን ዝጸልዉ ምዝንባዓት) ስለዘለዎን፡ ዘይቋረጽ ክንክን ስለዘድልዮን ተቘጺራ ክትሰርሕ ኣይከኣለትን። ብዓርቢ፡ ደቃ ዝብላዕ ስለዘይነበሮም፡ ናብታ እቲ ማእከላይ ውላዳ ዝመሃረላ ቤት ትምህርቲ ብምኻድ ካብ መምህር ጊሪጃ ሃሪኩማር ሓገዝ ሓቲታ። መምህር ቋንቋ ሂንዲ ዝዀነት ጊሪጃ ሃሪኩማር፡ ነቲ ኣቢሸክ ዝተባህለ ተመሃራይ፡ ድሕሪ ሞት ኣቦኡ ስድራኡ ጸገማት እንተጋጢምዎም ክነግራ ሓቲታቶ ከም ዝነበረት ንቢቢሲ ገሊጻ። እቲ ወዲ ወይ ኣደኡ ሓገዝ ክሓትዋ እዚ ንመጀመርታ ግዜ እዩ ነይሩ። \"1000 ሩፒ ሂበያ፡ ገለ ዝዀነ ነገር ከም ዝገብር’ውን ነጊረያ።\" \"ኣብ ክሽነ ብኣጻብዕ ዝቝጸር እኽሊ ጥራይ እዩ ነይሩ፡ እቶም ቈልዑ ዝበልዕዎ ነገር ኣይነበሮምን\" ትብል እታ መምህር። \"ሓሓሊፉ ንሱባድራ ንእሽቶ ገንዘብ ምሃብ ነታ ስድራቤት ፍጹም እኹል ስለዘይከውን ትርጕም የብሉን ኢለ ሓሲበ\" ክትብል ትውስኽ። ዓርቢ ምሸት፡ መምህር ጊሪጃ ሃሪኩማር ብዛዕባ ጸገም እታ ስድራቤት ዝገልጽ ጽሑፍ ኣብ ፈይስቡክ ለጢፋ። ሰባት ድማ ከም ዓቕሞም ዝዀነ ገንዘብ ከወፍዩ ሓቲታ። ብተወሳኺ ምእንቲ እቲ ገንዘብ ብቐጥታ ናብኣ ክሰጋገር፡ ኣብቲ ጽሑፍ ዝርዝር ናይ ባንክ ሕሳብ ሱባድራ ኣስፊራ። እቲ ጽሑፍ ብብዙሕ ሰባት ተራእዩ፤ ክሳብ ትማሊ ሰኑይ ድማ ሱባድራ ካብ ሕያዎት ጓኖት 5.5 ሚልዮን ሩፒስ ተቐቢላ። ገለ ካብቲ ገንዘብ፡ በዓል ቤት ሱባድራ ቅድሚ ሞቱ ክሃንጾ ዝጀመረ ገዛ ንምውዳእ ክውዕል እዩ። ዝተረፈ ድማ ንመዓልታዊ ወጻኢታቶም ኣብ ባንክ ክቕመጥ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብ ጻውዒት ተዓጽዩ’ዩ።","category":"ድኽነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c51x1206wq7o"} {"headline":"ሴራሊዮን፡ ካብ እግረኛታት ብዝምንጪ ጽዓት እተብርህ ሃገር","content":"ኣስታት 75 ሚኢታዊት ህዝቢ ሴራሊዮን ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ንምርካብ ኣዝዩ ዝተጸገመ'ዩ። ግን ድማ ካብ ምንቅጥቃጥ [Vibration ] ጽዓት ዘመንጩ መሳርሒ ነዞም ብድኽነት ዝተቖረኑ ሕብረተሰብ ብርሃን ክህቦም ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ሴራሊዮን ተወሊዱ ዝዓበየ ጀርማህ ቶሮንካ ናይ ቁልዕነት ግዝኡ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ፍሪታውን ውጽእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ሻውል ምስ ኣዲኡ ዓብዩ። ኣብዚ እንክቖሮም ክሞቑ፣ እንክጠምዮም መግቢ ከብስሉ ረሳሕ ፍሓምን ዝወዳደቐ ዕንጸይትን እናኣረዩ ህይወት ይደፍኡ ነይሮም። \"መብራህቲ ኣብ ዘይብሉ ከባቢ እየ ዓብየ። ካብ ሰዓት ክልተ ናይ ምሸት ጀሚሩ መላእ ከባቢና ብጸልማት ይውሓጥ\" ይብል ወዲ 20 ዓመት ቶሮንካ። ቆልዓ 10 ዓመት ምስ ኮነ ኣብቲ ዞባ [ምዕራብ ኣፍሪቃ] ካብ ዘለው ብሉጻት ኣብያተ ትምህርቲ ሓደ ኣብ ዝኾነ ናጻ ዕድል ትምህርቲ ረኺቡ። \"ሽዑ'የ መዓልታዊ ኣብ ክልተ ዓለም ኮይነ ይነብር ምህላወይ ዝፈለጥኩ፤ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ መሊኡ ዝተትረፍረፈ ኤሌክትሪክ ነይሩ፤ መንበሪ ገዛውትና ከኣ ብኣንጻሩ\" ይብል። ኣብታ ዝነብረላ ሻውል ዘሎ ሳዕቤን ሕጽረት ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ከኣ ልዕሊ ማንም ይርድኦን ይርእዮን። ብዙሓት ህጻናት ብምኽንያት ትኪ ብዝስዓቡ ጸገማት ስርዓተ ምስትንፋስ ተጠቒዖም፣ መብዛሕትኦም'ውን ብምኽንያት እቲ ጸገም ዕዮ ገዛ ክሰርሑ ኮነ ትምህርቶም ብኣግባብ ክከታተሉ ኣይክኣሉን። ብዙሓት ስድራቤታት ዕንጸይትን ብላምባ ዝሰርሓ ጀነረተርን ስለ ዝጥቀሙ ብተደጋጋሚ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ የጋጥም። ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ኣግራብ'ውን ሰባት ዝነድድ ዕንጸይቲ ደልዮም ስለ ዝቖርጹዎ በሪሱ። ካብዚ ብዝብገስ ዘጋጥም ምብራስ ኣግራብን ምጉሕጓሕ ከባብን ሴራሊዮን ዚያዳ ንጽልዋታት ክሊማዊ ለውጥን ሓደገኛ ውሑጅን ምህማም መሬትን ዝተቓልዐት ክትከውን ኣበርክቶ ገይሮም። እዚ ኹሉ ድማ ቶሮንካ መፍትሒ ክእልሽ ደፊኡዎ። \"ሰባት ብዛዕባ ዝሓሸ ኣማራጺ ሓይሊ ክፈልጡን ሃብቲ ተፈጥሮ ምብራስ ደው ከብሉን ዝሕግዝ ምቹእ ስርዓት ጽዓት ክፈጥር'የ ደልየ\" ይብል። ቐረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣውራ ጸገም ሴራሊዮን'ዩ። እዛ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣብ ዓለም ካብተን ዝተሓተ ቀረብ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ዘለወን ሓንቲ'ያ። ከም ጸብጻብ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝምወል ትካል ዘላቒ ሓይሊ ንኹሉ፡ 26 ሚኢታዊት ህዝቢ እታ ሃገር ጥራይ'ዩ ኤሌክትሪክ ዝረክብ። ኣብ ገጠራት 6 ሚኢታዊት ሰባት ጥራይ ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ኤለትሪክ ኮይኖም እቲ ዝበዝሐ ብጸሓያዊ ጽዓትን ብባትሪ ዝሰርሓ ባውዛታትን ይጥቀም። \"ብተመጣጣኒ ዋጋ ቐረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክተረጋግጽ ምኽኣል ዓብዪ ጸገም'ዩ። ሕጽረት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ድማ ኣብ ዕብየትን ልምዓትን፣ ኣገልግሎት ጥዕናን ዕድላት ትምህርትን ዓብዪ ጸገም'ዩ ዝፈጥር\" ትብል ክኢላ ጽዓት ትካል ዘላቒ ሓይሊ ንኹሉ [SEforALL] ኢንግሪድ ሮህረር። ወሲኻ \"ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ዘይረክቡ ሰባት ብውሑድ ሞባይል ቻርጅ ንምግባር ልዑል ወጻኢ ዝሓቱ ግልጋሎታት፣ ንመብራህቲ ዝጥቀምሉ ክቡር ባትሪ ወይ'ውን ላምባ [ኣብ ጥዕና ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘለዎም] ክጠልቡ'ዮም ዝግደዱ\" ኢላ። እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ እቶም ስሩዕ ቐረብ ኤሌክትሪክ ይረኽቡ'ዮም ዝብሃሉ ተጠቀምቲ'ውን ብምኽንያት ትሑት መጠን ምፍራይን ምእራግ መሰረተ ልምዓትን እቲ ግድብ ተደጋጋሚ ምቁራጽ ከም ዘጋጥሞም ትዛረብ። መሰረተ ልምዓት ኤሌክትሪክ እታ ሃገር ብ1960ታት ዝተሰርሐ ኮይኑ ህጹጽ ሕድሳት ዘድልዮ'ዩ። \"እዚ ግን ውጽኢታዊ ኣይኮነን፤ ሚሊዮናት ዶላራት እናሓተተ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዝነብሩ ሰባት ከይተረፈ ካብቲ ሃገራዊ መመንጨዊ ጽዓት ኣገልግሎት ክረኽቡ ዘይክኣልሉ ኩነታት'ዩ ዘሎ። ኣብ ገጠራት ከኣ ሰፊሕ ክፍተት ቐረብ ኣሎ\" ይብል ቶሮንካ። ካብዚ ብዝብገስ ቶሮንካ ብውሑድ ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ሰባት ጽሩይ፣ ተጠላብን ዘተኣማምንን ሓይሊ ዝረኽብሉ ሓደ መፍትሒ ዝበሎ ምህዞ ሓሲቡ። \"ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ምርካብ ሰብኣዊ መሰል እዩ፤ መብራህቲ ኣብ ዘይብሉ ሕብረሰተብ ክንነብር ኣይንኽእልን\" ይብል። ወዲ 17 ዓመት እናሃለወ ኣብ ዩዋንዳ ዩኒቨርሲቲ ኣፍሪካን ሊደርሺፕ ይመሃር ነይር። ኣብዚ ምንቅስቓስ [Motion ] ዝጥቀም ሓይሊ ኦፕቲም ኤነርጂ ምሂዙ፤ እዚ እቲ ሓይሊ ዘመንጪ ኣቕሓ ምንቅስቓስ ክህሉ እንከሎ ኤሌክትሪክ ዘመንጩ'ዩ። ካብ ዋዒ፣ ምንቅስቓስን ጸቕጥን ጽዓት ከመንጪ ዝኽእል መሳርሒ ፒዞኤሌክትሪክ እውን ምሂዙ። እዚ መሳርሒ፡ ጽዑቅ ትራፊክን እግረኛን ኣብ ዘልሉ ጽርጊያ ክቕመጥ እንከሎ፡ እቲ መካይንን ሰባትን ዝፈጥሩዎ ምንቅስቓስ ማጽዩ ኤሌክትሪክ ከመንጩ ዘኽእሎ ዓቕሚ ይፈጥር። ኣብዚ ግዜ ዋላ ሓደ ዝቃጸል ወይ ዝወጽእ ትኪ የለን። የግዳስ እዚ መሳርሒ ኣዝዩ ሰሓቢ ካብ ዝገብሮ ሓደ ነገር፡ ተተኺሉ'ውን ሰባት ከይፈለጡዎ ሓይሊ ዘመንጪ ምዃኑ'ዩ። ከም ሶላርን ካብ ንፋስ ዝምንጪ ተሓዳሲ ሓይልን'ኳ እንተሃለው፡ እዚ መሳርሒ ግን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምፍራይ ኩነታት ኣየር ኣይጽበን፤ ኣይመርጽን'ውን። \"ጸሓይ ኩል ግዜ ኣይትወጽእን፣ ማይ'ውን ይደርቕ'ዩ፣ ዘልኣለም ከኣ ፈሓም ኣይንጥቀምን፤ ምንቅስቓስ ሰባት ግን ወትሩ ኣሎ - ጠጠው ዝብል ኣይኮነን\" ይብል ቶሮንካ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዘለው መምሃራኑ ኣብ ውሽጡ ብዝተፈጥረ ምልዕዓል ሕብረተሰቡ ንምሕጋዝ ዝኸዶ ርሕቐት ኣብ ዝኾነ ጽዑቕ ትራፊክ ዘለዎ ሃገር ኣብ ረብሓ ክውዕል ዝኽእል ምህዞ ወሊዱ'ዩ ይብሉ። \"እዚ መሳርሒ ተመሃሮ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ንከጽንዑን ኣብ ካልእ ዓለም ዘሎ ዲጂታላዊ ምዕባለ ክፈልጡን ዝሕግዝ'ዩ። ብተወሳኺ ኣብ ቑጠባ እታ ሃገር ዓብዪ እጃም ክህልዎ'ዩ\" ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊደርሽፕ ሩዋንዳ ግዝያዊት መራሒት ፕሮግራም ክፍሊ ትምህርቲ ዓለምለኻዊ ማሕለኻታት ዊኒ ሙቺና። ክኢላ ጽዓት ትካል ዘላቒ ሓይሊ ንኹሉ [SEforALL] ኢንግሪድ ሮህረር ብወገና \"ዓብዪ ጸጋ መሳርሒታት ፓይዞኤሌክትሪክ ካብ ደጋዊ ምንጪ ሓይሊ ዝጠልቡዎ ባትሪ ይኹን ኤሌክትሪክ ዘይምህላው'ዩ\" ኢላ። ሕጂ ምህዞ ቶሮንካ ኣብታ ዝዓበየላ ከባቢ ኩንቶሉህ ንመጀመሪ ኣብ ረብሓ ክውዕል ተገይሩ ኣሎ። እዚ ብኽልተ መሳርሒታት ብምጥቃም ዝተጀመረ ኣገልግሎት 1500 ሰባት ዝሓዙ 150 መራሕቲ ስድራ፣ ልዕሊ 9000 ተመሃሮ ዝመሃሩለን 15 ኣብያተ ትምህርቲ ብናጻ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ክረኽቡ ክኢሎም ኣለው። ድሕሪ'ዚ ተመሃሮ ኣብ ትምህርቶም፣ ትካላት ጥዕና ድማ ኣብ ኣገልግሎተን ምምሕያሽ ከም ዘርኣዩ ቶሮንካ ይዛረብ። ጎደናታት ከባቢኦም ብብርሃን ክፍስሁ እንከለው ሹቓት'ውን ሕጂ ብዘይ ሰኸፈት ክሳብ ምሸት ኣገልግሎት ክህቡ ክኢሎም። ብተወሳኺ ሕጂ ሰባት ገዝኦም ንምሟቕን መግቢ ንምብሳልን ዕንጸይቲ ስለ ዘይጥቀሙ ኣብቲ ከባቢ ዘጋጥም ዝነበረ ብርሰት ኣግራብ ከም ዝነከየ ተመሃሪ ዩኒቨርሲቲ ኪጋሊ ቶሮንካ ይዛረብ። \"ሰባት ኣብ ከባቢኦም ዝቦቅል መፍትሒ ጸገም ይቕበሉ'ዮም። ብቐሊሉ ምስኡ ዝዛመዱ ምዃኖም እንተፈሊጦም ንክቕበሉካ ቕሩባት'ዮም\" ዝብል ቶሮንካ ረብሓ ተሓዳሲ ሓይሊ'ውን ክፈልጡ ከም ዝገብር የረድእ። ቶሮንካ በዚ ምህዞ ኣቢሉ ሕብረተሰብ ኣብ ኣጠቓቕማ ተሓዳሲ ሓይልን ምክልኻል ሃብቲ ተፈጥሮን ዘለዎም ግንዛበ ክዓቢ ክሰርሕ እንከሎ፡ ምህዝኡ ዓለምለኻዊ ሽልማት'ውን ኣምጺኡሉ'ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ሽልማት 'መንእሰይ ኮመንዌልዝ' ተቐቢሉ። እዚ ሽልማት ዓመታዊ ኩነታት መነባብሮ ሕብረተሰቦም ዘመሓየሹን ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምዕዋት ዝሓገዙን ተባሂሉ ንሓሙሽተ መናእሰይ ዝወሃብ'ዩ። ቶሮንካ እቲ ዝረኸቦ ሽልማት 2800 ዶላር ኣብቲ ዝጀመሮ ፕሮጀክት ከውዕሎን ኣብ ከተማታትን ዞባታት ገምገም ባሕርን ተመሳሳሊ መሳርሒታት ተኺሉ ሓይሊ ከመንጩን መደብ ኣለዎ። በዚ ኣብ 2030 100 ሽሕ ሰባት ተጠቀምቲ ክኾኑ ዕላማ ኣለዎ። ብተወሳኺ ኣብ ሴራሊዮን ንዘለዋ ክሊኒካት ጥዕና ቐረብ ኤሌክትሪክ ክረኽባ ኣብ ምግባር ክሰርሕ ተስፋ ይገብር። \"ስርዓት ጥዕና እዛ ሃገር ብሕጽረት ኤሌክትሪክ ዝተጠቕዐ'ዩ። ኣብ ነዊሕ ግዜ ብዙሕ ኣገልግሎት ኣብ ዝህባ ሆስፒታላት ኦፕቲም ኤነርጂ ክንጥቀም መደብ ኣለና\" ኢሉ። ሴራሊዮን ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ስጉምቲ ኣዋጅ ዕጽዋ ኣብ ዝወሰደትሉ እዋን፡ ብዙሓት ሰባት ናብ ትውልዲ ዓዶም ስለ ዝኸዱ ጠለብ ጽዓት ሰማይ ዓሪጉ ልዕሊ እቲ እታ ሃገር እተመንጭዮ ኮይኑ ነይሩ ይብል ቶሮንካ። እታ ሃገር ካብቲ ኮሮናቫይረስ ዘሕደሮ ጽልዋ ክትወጽእ እንከላ ኣብ ሓምለዋይ ልምዓትን ተሓዳሲ ሓይልን ኢንቨስት ክትገብር'ያ ዝብል ተስፋ ኣለዎ። ብዙሓት ከተማታት ይዓብያ ስለ ዘለዋ፡ ካብ ምንቅስቓስ ዝምንጪ ሓይሊ ንምጥቃም ዘኽእል ዓብዪ ዓቕሚ ኣሎ ኢሉ ይኣምን። ኣብ ኣፍሪቃ ቑጽሪ ስራሕ ደልዮም ናብ ከተማ ዝኣትው ሰባት ይውስኽ ብምህላዩ፡ ብዝሒ ኣብ ከተማ ዝነብር ህዝቢ ይዓቢ ከም ዘሎ ይግለጽ። ቶሮንካ \"ኣብዚ ሕጂ እዋን ምንጪ ዓብዪ ጽዓት ክኸውን ዝኽእል ምንቅስቓስ ይባኽን'ዩ ዘሎ። ስለዚ እዚ ምንጪ ጽዓት ገይርና ክንጥቀመሉ ይግባእ\" ይብል።","category":"ድኽነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57982648"} {"headline":"ኣመሪካ: ን4 መዓልታት ካብ ኣውቶብስ ንኸይወርዱ ናይ ዝተኸልከሉ ህጻናት ጉዳይ ኣዘራራቢ ኮይኑ","content":"ጉዳይ ናይቶም ኣብ ኣመሪካ ንኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ኣውቶቡስ ክሓድሩ ዝተገደዱ ህጻናት ስደተኛታት ሕቶታት ኣልዒሉ። እቶም ህጻናት ምስ ስድርኦም ንምርኻብ ኣብ ምጽባይ ዝነበሩ እዮም። ዋይት ሃውስ በቲ ዝጋጠመ ነገር ኣዝዩ ከምዝሓዘነ ብምግላጽ “ስቅ ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን መርመራ ክጅምር እዩ” ብምባል ነቲ ጉዳይ መርመራ ከምዘካይደሉ ቃል ኣትዩ። ፕረስ ሰክሪታሪ ናይ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ጄን ፕሳኪ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ “ኣዝዩ ዘሰንብድ እዩ” ድሕሪ ምባል “ኣብዚ ደረጃ እዚ ከመይ ኢሉ ከምዝብጽሐን ከመይ ኢሉ ከምዘጋጠመን ኣብቲ ንግበሮ መርመራ ክጽንሓና እዩ” ኢላ። ነቲ ክስተት ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ከም ዘቃለሐኦ እንተኾይኑ፡ እቶም ህጻናት ኣብ ውሽጢ እታ ዝነበርዋ ኣውቶቡስ ኮይኖም ክምግቡን ክሽኑን ከምዝተገደዱ ይግለጽ። ኣብ ኣመሪካ ቁጽሪ ህጻናት ስደተኛታት ኣዝዩ ይንህር ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ። ኣብ ወርሒ መጋቢት ልዕሊ 19 ሽሕ ኣላዩ ዘይብሎም ህጻናት ስደተኛታት ካብ ደቡብ ኣመሪካ ናብ ኣመሪካ ከምዝኣተዉን እዚ ኣብ ሓደ ወርሒ ካብ ዝኣትዉ ህጻናት እቲ ዝልዓለ ቁጽሪ ኮይኑ ተመዝጊቡ ከምዘሎን ይግለጽ። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ’ውን እቲ ቁጽሪ ቁሩብ ምጉዳል እኳ እንተኣርኣየ ልዕሊ 17 ሽሕ ህጻናት ብዘይ መሰነይታ ናብ ኣመሪካ ኣትዮም። ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ 50 ሽሕ ዝኾኑ ስድራ ምስ ደቆም ናብ ኣመሪካ ኣትዮም። ፕረስ ሰክሪታሪ ጄን ፕሳኪ “ኣብ ልዕሊ ህጻናት ከምዚ ዓይነት ዘይሰብኣዊ ተግባር ክፍጸም ምኽንያታዊ ኣይኮነን” ብምባል እቶም ህጻናት ተገዲዶም ንመዓልታት ኣብ ኣውቶብስ ክሓድሩ ምግባር ዘይሰብኣዊ ተግባር እዩ ኢላ። ጄን ፕሳኪ እቲ መርመራ ምስ ተጻፈፈ፡ ነቲ ተግባር ሓላፍነት ዝወስደሉ ኣካል ከምዝህሉ’ውን ገሊጻ። ኤንቢሲን ዳላስ ሞርኒንግን ዝበሃላ ማዕከናት ዜና ንሓደ ወዲ 15 ዓመት ካብ ህንዱራስ ዝመጽአ ህጻን ብምዝርራብ፡ እቶም ህጻናት ካብ ቀዳም ክሳብ ረቡዕ ኣብታ ኣውቶቡስ ከይወረዱ ከምዝቐነዩ ኣብ ዓምድታተን ኣስፊረን። እቲ ካብ ሁንድራዝ ዝመጽአ ህጻን፡ ምስታ ኣብ ስያትል እትርከብ ኣዲኡ ንምርኻብ ብሕጂ 3200 ኪሎ ሜተር ናይ ኣውሮቡስ ጉዕዞ ከምዝተርፎ’ውን እታ ማዕከን ዜና ኣቃሊሓ። ጸሓፊ ሰብኣዊ መሰላትን ጥዕናን ኣመሪካ ሃቭያር ቤኪራ ንኤንቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል “እዚ ከምዚ ዓይነት ተግባር ፍጹም ተቐባልነት ዘይብሉ’ዩ” ኢሉ።","category":"ድኽነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57126620"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ሲንጋፖር ቖልዑ ንዝወልዱ መተባብዒ ክትህብ እያ","content":"ሲንጋፖር መጠን ወሊድ ንምትብባዕ ኣብዚ እዋን ለበዳ ንዝወልዱ ስድራ፡ ንሓደ ጊዜ ጥራይ ዝወሃብ ገንዘብ ከምዘዳለወት ኣፍሊጣ። እታ ሃገር ነዚ ዝወሰነት ዜጋታት ብምኽንያት ፋይናንሳዊ ጸገምን ስእነት ስራሕን ስድራ ናይ ምምስራት ድልየቶም እናጎደለ ብምምጽኡ እዩ። ቖልዓ ንዝወልዱ ስድራ ዝወሃብ መጠን ገንዘብ ግን ዛጊት ኣይተፈልጠን። እዚ መተባብዒ ኣብ ልዕሊ'ቲ ቅድሚ ሕዚ ዝወሃብ ዝነበረ ተወሳኺ ከምዝኾነ ተፈሊጡ'ሎ። ሲንጋፖር ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ዝተሓተ መጠን ወሊድ ዝምዝገበለን ሃገራት'ያ። ነዚ ንምምሕያሽ ከኣ ንዓሰርተታት ዓመታት ክትሰርሕ ጸኒሓ ኣላ። ከም ኢንዶኒዥያን ፊሊፕንስን ዝኣመሰላ ጎረባብታ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝደንገግኦም ኣዋጃት ዕጽዋ መጠን ጥንሲ ክዓቢ እንከሎ ኣብ ሲንጋፖር ግን ኣይወሰኸን። ብኣንጻሩ እታ ቀደሙ'ውን ዝተሓተ መጠን ወሊድ ዝምዝገበላ ዝነበረ ሲንጋፖር ኣብ ቁጽሪ ዝውለዱ ህጻናት ዝለዓለ ምንካይ ኣጋጢምዋ'ሎ። \"ቖልዓ ንክወልዱ መደብ ዝነበሮም ግን ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ ንኻልእ እዋን ዘሰጋገሩዎ ስድራ ቤታት ከምዘለው ሓበሬታ በጺሑና'ዩ\" ኢሉ ምክትል ቀዳማይ ምኒስተር ሲንጋፖር ሄንግ ስዊ ኬት። መጠን እቲ ቖልዓ ንዝወልዱ ስድራ ዝወሃብ ገንዘብ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ወግዓዊ ከምዝኸውን ሓቢሩ። እታ ሃገር ኣብዚ ሕዚ እዋን ሕጋዊ ንዝኾኑ ስድራ (ሰብ ሓዳር) ቖልዓ ኣብ ዝወልዱሉ እዋን ክሳብ 7 ሽሕን 330 ዶላር ዝግመት ንዋታዊ ሓገዛት ክትህብ ጸኒሓ እያ። ኣብ 2018 ዝተመዝገበ መረዳእታ ከምዘመልክቶ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበሩ 8 ዓመታት፡ መጠን ወሊድ እታ ሃገር ኣዐርዩ ነክዩ ነይሩ። እቲ መጠን ወሊድ 1.14 ቖልዓ ንሓንቲ ሰበይቲ'ዩ ተመዝጊቡ። ብዙሓት ተመሳሳሊ ጸገም መጠን ወሊድ ዘጋጥመን ሃገራት ኤስያ ኣብዚ እዋን ኣዋጃት ዕጽዋ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከይበጽሕ ስግኣት ኮይኑወን ኣሎ።","category":"ድኽነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54430805"} {"headline":"ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ስጳኛዊት ደሴት ካናሪ ይውሕዙ ኣለዉ","content":"ብዙሓት ስደተኛታት ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ናብ ናይ ስፔን (ስጳኛ) ደሴት ካናሪ ይውሕዙ ምህላዎም ዓለማዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ። ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ጥራይ 1 ሽሕ ስደተኛታት ናብ’ታ ደሴት ከምዝኣተዉ ዘፍለጠ ቀይሕ መስቀል፡ እዚ ኣብ ዓሰርተታት ዓመታት ኣጋጢሙ ዘይፈልጥ እዩ ኢሉ። ኣብ’ታ ደሴት ዑደት ዝገበረ ሚኒስተር ጉዳይ ስደተኛታት ስፔን ሉይስ ኤስክሪቫ “ዝተዋደደ ግብረ መልሲ ክንህበሉ ኢና” ክብል ተመጻቢዑ። እዚ ካብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ተበጊሱ ናብ ኣውሮጳ ዘብጽሕ መስመር ስደት፡ ካብ 2018 ጀሚሩ እዩ ዝያዳ ክዝውተር ጀሚሩ። ቅድም ክብል ብዙሕ ዋሕዚ ስደተኛታት ዝተርኣየ ኣብ 2006 ኮይኑ፡ 35 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ገማግም ስፔን ከምዝኣተዉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሴኔጋል ዝብገሱ ብዙሓት ስደተኛታት፡ ልዕሊ 1600 ኪሎ ሜትር ኣብ ባሕሪ ይጓዓዙ። ኣብ’ዚ ሰሙን ጥራይ፡ 186 ስደተኛተት ዝጸዓና ጃላቡ ብሓይሊ ባሕሪ ሴኔጋል ከምዝተትሓዛ ወኪል ዜና ፈረንሳይ ጸብጺቡ እዩ። እቶም ኣብዘን ቀረባ መዓልታት ናብ ደሴት ካናሪ ዝኣተዉ ስደተኛታት’ውን ካብ ሰኔጋልን ጋምብያን ከምዝኾኑ ይግለጽ። እቶም ካብ ብሓሙስ ጀሚሮም ናብ ስፔን ክኣትዉ ዝጀመሩ ስደተኛታት፡ ብ 37 ጃላቡ ተጻዒኖም ናብ’ታ ደሴት ከምዝኣተዉ፡ መደብር ዜና ስፔን ኢኤፍኡ ጸብጺቡ’ሎ። ማሕበር ቀይሕ መስቀል ስፔን ድማ፡ ነቶም ስደተኛታት ግዚያዊ መጽለሊ ሂቡ የናብዮም ኣሎ። ብጀካ ገለ ቀሊል ሕማማት፡ እቶም ስደተኛታት ሙሉእ ጥዕና ዘለዎም እዮም ኢሉ ቀይሕ መስቀል። ምርመራ ኮሮናቫይረስ’ውን ተገይሩሎም ኣሎ። ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ሓምለ ኣብ ዘሎ ግዜ ጥራይ፡ ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ስደተኛታት ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ተበጊሶም ናብ ደሴተት ካናሪ ኣትዮም እዮም። እዚ ድማ፡ ምስ’ቲ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር ከሎ፡ 600 ምኢታዊት እዩ ወሲኹ። ኣብ’ዚ ዓመት እዚ፡ ናብ ካናሪ ዝጓዓዙ ዝነበሩ 250 ስደተኛታት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ’ውን ዓለማዊ ትካል ስደተኛታት (ኣይኦኤም) ይገልጽ።","category":"ድኽነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54497785"} {"headline":"ትግራይ፡ ታሪኽ ኣብ እምኒ ኮፍ ኢሎም ዝመሃሩ ቆልዑ ትግራይ ይቕየር’ዶ ይኸውን?","content":"ዝኾነ ስድራ፡ ውላዱ ፊደል ንምቑጻር ዕድምኡ ምስ ኣኸለ፡ ደብተርን ብርዕን ኣትሒዙ ናብ ቤት ትምህርቲ እንትልእኽ፡ ውሉዱ ናብ ቁም-ነገር ዘብቅዐሉ ጅማሮ ኮይኑ ይስምዖ። እቲ ውሉድ ተመቺኡዎ ፊደል ናብ ዝቖጽረሉ ቤት ትምህርቲ ልኢኹ ከባጽሕ ዝጸልእ ስድራ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ገጠራት ትግራይ ዘሎ ተምሃራይ ግን፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኩርኳሕ'ዩ ዝምሃር። ብዙሓት፡ ጸሓይን ንፋስን እናተባረይዎም፣ ኣብ እምኒ ኮፍ ኢሎም፡ ኣብ ዳስ ዝምሃሩ ቆልዑ ከም ዘለው ሓበሬታ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል የረድእ። ገለ ሰባት 'ናይ ብሓቒ ድዩ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዳስ ዝምሃሩ ቆልዑ ኣለዉና?' ኢሎም ይሓቱ። ኪሮስ ሃይለስላሰ ነባሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ'ዩ። ኣብ እዋን ቁልዕነቱ፡ ንሱ'ውን በዚ ጸገም እዩ ሓሊፉ። \"ተምሃራይ ሓምሻይ፣ ሻድሻይ ክፍሊ እንከለኹ፡ ንኹልና ዝኣክል ወንበር ስለ ዘይነበረ፡ ንሓደ ወርሒ ውሑዳት ኣብ ወንበር ኮፍ ይብሉ'ሞ ፍርቅና ኣብ እምኒ ኮፍ እናበልና ኢና ተማሂርና\" ይብል። ኪሮስ፡ እዚ ተመሳሳሊ ጸገም፡ ክሳብ ሕዚ ዘሎ ኣይመስሎን ነይሩ። እቲ ሓቂ ግን፡ ቁጽሮም ዘይንዓቕ ተምሃሮ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዳስን እምንን'ዮም ዝምሃሩ ዘለው። ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ጸገማት ኣብ ምእላይ እናነጠፈ ዝመጽአ ማሕበር ልምዓት ትግራይ፡ ነዚ ኩነታት \"ዘሕፍር\" ክብል እዩ ዝገልጾ። እዚ ንከብቕዕ ድማ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብያተ ትምህርቲ ንምህናጽ፤ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዛ ማእኸላት ኮምፒዩተር ንምጥያሽን ተበግሶ ወሲዱ ኣሎ። እዞም ፕሮጀክታት ልዕሊ 1.8 ቢሊየን ብር ዝሓቱ መደባት'ዮም። ነዚ ድማ እዩ፡ እቲ ማሕበር ብዝተፈላለየ መገድታት እቶት ዝእክብ ዘሎ። ሰባት ብቴሌፎን ናብ 8160 ከምኡ ድማ 6831 ሓጺር ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ብምስዳድ ገንዘብ እናወፈዩ ነዚ ታሪኽ ክቕይሩ ይረባረብ ኣለዉ። በዚ ሜላ ምትእኽኻብ እቶት፡ ብዕቱብ ይረባረብ ዘለዉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝነጥፉ መናእሰይ እዮም። ወግሐ ጸብሐ፤ ኣብ ክንዲ 'መዓላትኩምን ሓደራትኩምን' ኣብ ፌስቡኮም ነዘን ቁጽርታት ይጥቅዑ። ጋንታታት ኩዕሶ ክጻወታ ከለዋ፡ እናተወራረዱ ገንዘብ ንማልት ይውፍዩ። ኣብ ኣሜሪካ ሲያትል ዝነብር ኣይተ ኣምባሳደር ጸጋይ፡ ሓደ ካብቶም 'ዕድመ ልክዐይ ከወፊ እየ' ኢሎም ዝወሰኑ'ዩ። ክሳብ 5ይ ክፍሊ ኣብ ገጠር ነዊሕ መገዲ እናተመላለሰ ከም ዝተምሃረ ዝዛረብ ኣምባሳደር፡ ዳርጋ ኩሉ ጸገም ህዝቢ ርእየ'የ ዓብየ ይብል። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተምሃራይ ኮሌጅ ኣብ ዝነበረሉ ምስ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ከምዝተላለየ ይዛረብ። ሽዑ፡ ክረምታዊ ዕረፍቶም ንህዝቢ ብምሕጋዝ መታን ከሕልፉዎ፡ ናብ ትግራይ ካብ ዝወፈሩ ሓደ ነይሩ። \"ማልት [ማህበር ልምዓት ትግራይ]፡ ንሕብረሰተብካ ሓጋዛይ ናይ ምኻን መንፈስ ክተሕድር ትገብር ነይራ። ብዓብይኡ ግን ሕብረተሰብና እንታይ ከም ዝመስል ንክርኢ ስለ ዝሓገዘትኒ፡ ካባይ እንታይ ትጽቢት ይግበር ዝብል ሓሳብ ከዕቢ ሓጊዛትኒ'ያ\" ይብል። ነዚ ድማ እዩ፡ ኣምባሳደር ንጻውዒት እታ ማሕበር ተቐቢሉ ናይ ዕድመ ልክዕ ወፈያ ክገብር ዝወሰነ። ኪሮስ ሃይለስላሰ ብወገኑ፡ መዓልታዊ ሓጺር መልእኽቲ ጽሑፍ እናለኣኸ የወፊ ኣሎ። ከባብያዊ ልምዓት ኣገዳሲ'ዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ዝዛረብ ኣምባሳደር፡ \"ሓደ ሰብ ዓዱ ደርብዩ ክስደድ ዝገብሮ፡ ድኽነት ወይ ፖለቲካዊ ጸገም ጥራሕ ዘይኮነ፡ እዚ ናተይ ከባቢ'ዩ፤ ክሳዕ ሞት ድማ ክቃለሰሉ እየ ዝብል ሕራነ ስለ ዘይሕዝ'ዩ\" ይብል። እታ ማሕበር፡ ተምሃሮ ካብ ዳስ ክተናግፍ፡ ኣብ ኩለን ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ድማ 'ማእኸላት ቨርቹዋል ኮምፒዩተር' ብምጥያሽ ጽርየት ትምህርቲ ብኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ክትሕግዝ እያ ትህቅን ዘላ። \"እንገብሮ ዘለና ወፈያ ረብሕኡ ልዑል'ዩ። ጉዳይ ትግራይ ክንሓብር ስለ ዝገበረና ድማ፡ ተሳትፎና ኣብ ናይ ስድራ ጉዳይ ከም ምሕባር ኮይኑ'ዩ ዝስምዐኒ\" ይብል ኪሮስ ሃይለስላሰ። ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብፍሉይ ኣብ መዳይ ትምህርቲ ጽቡቓት ስራሕቲ ሰሪሓ'ያ ዝበለ ዋና ዳይሬክተር እቲ ማሕበር ዶክተር ታደለ ሓጎስ ብወገኑ፡ ልዕሊ ሲሶ ኣብ ትግራይ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ በታ ማሕበር ዝተሰርሓ ምዃነን ይዛረብ። ኣብቶም ዝቕጽሉ ዓመታት፤ 3 ሽሕን 72 ዳስ መምሃሪ ክፍልታት ናብ ህንጻ ንምቕያር ዓሊማ ትንቀሳቐስ ምህላዋ እንትገልጽ፡ 12 ፍሉያት ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ 12 ናይ ወረዳ ከተማታት ከም እትሃንጽ ይሕብር። ስርዓት ትምህርቲ እታ ክልል ክልተ ጫፍ ዝሓዘ'ዩ [ኣብ ዳስ ዝመሃር ኣሎ፡ ብኻልእ ወገን ድማ ማእኸላት ሳይንስን ቴክኖሎጅን ዝህነጸሉ ተምሃራይ ኣሎ]። እዚ ኣፈላላይ ንምጽባብ፡ ኩለን ኣብቲ ክልል ዝርከባ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ቨርቹዋል ኮምፒዩተር ማእኸል ንክህልወን ተሓሲቡ፡ ነዚ መፈጸሚ ዝኸውን እቶት ካብ ኩሉ ትግራዋይ ይእከብ ከምዘሎ ይገልጽ። \"ምስ ተመን፡ ጸሓይን ንፋስን እናወቕዖ ኣብ ዳስ ኣብ እምኒ ኮፍ ኢሉ ዝመሃር መንእሰይ ኣለና። እዚ ብዛዕባ ካልእ ከይንሓስብ ይገብረና ስለ ዘሎ፡ እቲ ዳስ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ናብ ህንጸ ክንቅይሮ ኣለና\" ዝበለ ዶክተር ታደለ፡ ምምሕያሽ ጽሬት ትምህርቲ ጎና ጎኒ ክስርሓሉ ዝግባእ ዛዕባ ምዃኑ ተዛሪቡ። ኣብ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ቨርቹዋል ማእኸል ኮምፒዩተር ክጣየሽ ከሎ፡ 'ኦፍ ላይን ኢንተርኔት' ክህሉ ስለ ዝግበር፡ ድጂታል ቤተ ንባብ ፈጢርካ ብድምጽን ምስልን ዝተሓገዙ ናውቲ መምሃሪ ክህልዎ ክግበር እዩ። ክሳብ ሕዚ ዘሎ ምንቅስቓስ ዘተባብዕ'ዩ ዝበለ ዶክተር ታደለ፡ ናብ ትሸዓተ ከተማታት ኤውሮጳ እውን ዑደት ተገይሩ እዩ። ብርክት ዝበሉ ኣብ ደገ ዝነብሩ ተጋሩ፤ ናይ ሓደ ዓመት፣ ሰለስተ ዓመት፣ ፍርቂ ዓመት፤ ኮታስ ከከም ዓቕሞም ዝኸፈሉ ከምዘለዉ ዶክተር ታደለ ይዛረብ። እዚ ዝእከብ ዘሎ ገንዘብ፡ ኣብ መዓልኡ መታን ክውዕል፡ ስጡም ክትትልን ስርዓተ ምሕደራን ክህልዎ ከምዝግባእ እቶም ወሃብቲ ርኢይቶ ይገልጹ።","category":"ድኽነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48218477"} {"headline":"ኣብ የመን ዝተዓገቱ ኣመሪካውያን ብመስርሕ ምቅይያር እሱራት ተፈቲሖም","content":"ኣብ የመን ብዕጡቓት ሑቲ ተዓጊቶም ዝጸንሑ ክልተ ኣመሪካውያን፡ ብመስርሕ ምቅይያር እሱራት ከምዝተፈትሑ ተፈሊጡ። ንናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ስራሕቲ ተዋፊራ ዝነበረት ሳንድራ ሎሊ ንሰለስተ ዓመታት፡ ከምኡ ድማ ኣብ ንግዲ ዝነጥፍ ማይክል ጊዳዳ ንሓደ ዓመት ተዓጊቶም ጸኒሖም። ትማሊ ከምዝተፈነው ድማ ሰበስልጣን ኣሜሪካ ኣፍሊጦም። ካልእ ተዓጊቱ ከሎ ናይ ዝሞተ ቢላል ፋቲን ዝተባህለ ሰብ ኣስከሬን ድማ፡ ናብ ሃገሩ ክምለስ ተገይሩ'ሎ። እቲ ምቅይያር እሱራት ዝተፈጸመ፡ ዓመጽቲ ሑቲ ልዕሊ 200 ዜጋታት የመን ኣብ ኦማን ከምዝተቐበሉ ምስሓበሩ'ዩ። ብዙሓት ሃገራትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ነዚ ምቅይያር እሱራት ክጽበይኦ ከምዝጸንሓ ይግለጽ። እዚ ተግባር ንግዚኡ'ውን እንተኾነ ኣብ ሞንጎ ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፍ መንግስቲ የመንን ዓመጽቲ ሑቲን ምርድዳእ ፈጢሩ'ሎ። ንጉስ ኦማን - ሱልጣን ሃይታም ቢን ታሪቕን ንጉስ ስዑዲ ሳልማንን ንዝገበርዎ ምትሕብባር ዘመዝገነ ኣማኻሪ ብሄራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ሮበርት ኦብራያን፡ ፕረዚደንት ትራምፕ'ውን ተሳትፎ ከምዝነበሮ ሓቢሩ። ወሃቢ ቃል ሑቲ ሞሓመድ ዓብዱሰላም ብወገኑ፡ ዛጊድ ከባቢ 240 የመናውያን ከምዝተመለሱ ብትዊተር ገሊጹ። ኦማን ንዝገበረቶ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘመስገነ እቲ ወሃቢ ቃል፡ ብዛዕባ እቶም ዝተፈነዉ ኣመሪካውያን ግን ዝበሎ ነገር የለን። ዎልስትሪት ጆርናል ከምዝጸብጸቦ፡ ነቶም ዝተዓገቱ ኣመሪካውያን ናይ ምፍናው ልዝብ ብቅልጡፍ ክፍጸም ዝኸኣለ፡ እታ ሓንቲ ኣመሪካዊት ኩነታት ጥዕናኣ ናብ ዘሰክፍ ደረጃ ይበጽሕ ብምንባሩ'ዩ። ኣብቲ ስምምዕ፡ ኣመሪካ ንየመን ሓገዝ ጥዕና ክትገበር ዝብል'ውን ከምዝርከቡ ተገሊጹ'።","category":"ድኽነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54553806"} {"headline":"ብጉዳይ ኣብ ናይ ጽዕነት መኪና ተዓፊኖም ዝሞቱ 39 ስደተኛታት ዝተኸሰሱ ንማእሰርቲ ተፈሪዶም","content":"ኣብ ደቡብምብራቕ እንግሊዝ ግዝኣት ኤስክስ ኣብ ውሽጢ 'ሎሪ' ዝዓይነታ ናይ ጽዕነት መኪና ሞይቶም ምስ ዝተረኸቡ 39 ቬትናማውያን ስደተኛታት ብዝተሓሓዝ ዝተኸሰሱ 4 ውልቀሰባት ማእሰርቲ ተበይንዎም። እቶም ስደተኛታት ኣዝዩ ብዘሕዝን ኩነታት ኣብ ውሽጢ ኮንተይነር እታ መኪና ብሕጸረት ኣየር ተዓፊኖም ከምዝሞቱ'ዩ ተረጋጊጹ። ነቶም ስደተኛታት ኣብ ምስግጋር \"መሪሕ እጃም\" ነይርዎም ዝተበሃሉ ወዲ 41 ዓመት ሮናን ሃግስ 20 ዓመት ከምኡ'ውን ወዲ 43 ጆርጅ ኒካ 27 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪድዎም ኣሎ። ክልተ ዘወርቲ'ታ መኪና ድማ ብቕትለት እቶም ስደተኛታት ማእሰርቲ ከምዝተፈረዶም ተፈሊጡ። ወዲ 24 ዓመት ኤሞን ሃሪሰን እቶም ስደተኛታት ናብ ብሪጣንያ ቅድሚ ጉዕዞ ምግባሮም፡ ናብ ዚብራግ ወደብ ቤልጂየም ከምዘብጽሖም ቤት ፍርዲ ኣመልኪቱ'ሎ። በዚ ድማ 18 ዓመት ማእሰርቲ ተወሲንዎ። 13 ዓመትን 4 ወርሕን ማእሰርቲ ዝተፈረዶ ወዲ 26 ዓመት ማውሪስ ሮቢንሰን ድማ ነታ ዓባይ ናይ ጽዕነት መኪና ተረኪቡ ምስከፈታ ነቶም ስደተኛታት ሞይቶም ዝረኸበ እዩ። ካልኦት ሰለስተ ኣባላት እቲ ጉጅለ ሰምሰርቲ'ውን ነቲ ዘይሕጋዊ ዝውውር ስደተኛታት ብምስላጥ ተኸሲሶም ማእሰርቲ ተበይንዎም ኣሎ። ነቲ ፍርዲ ዝወሰነ ዳኛ ጀስቲስ ስዊነይ \"ብፍላይ ንቬትናማውያን ነዚ ኩሉ መገዲ ኣሕሊፍካ ክተስግር ምኽኣል ዝተሓላለኸ፣ ነዊሕ ዝወሰደን ኣትራፍን ከምዝኸውን ኣይጠራጠርን\" ኢሉ። ነቶም ስደተኛታት ጽዒና ትጓዓዝ ዝነበረት መኪና ኣብ እትንቀሳቐሰሉ ዝነበረት እዋን ዋዒ ከምዝነበረ ድማ ኣዘኻኺሩ። ኣስዒቡ \"ካብ ውሽጢ እቲ ኮንተይነር ኮይኖም ኣብ ደገ ንዘሎ ሰብ ብስልኪ ክራኸቡን ንናሕሲ እቲ ኮንተይነር ሰይሮም ክወጽኡን ዝላዕለ ድልየት ነይርዎም\" ክብል እቶም ግዳያት ንዝነበሩሉ ኩነታት ኣረዲኡ። እቲ ቤት ፍርዲ ካብቶም ስደተኛታት ዝልኣኹ ናይ መወዳእታ መልእኽታት ስልኪ ዝሰምዐ ኮይኑ፤ ብፍላይ ሓደ ስደተኛ ብዝተቖራረጸን ዝደኸመን ድምጺ ንስድርኡ ይቕሬታ ዝሓተተሉ ድምጺ ቀሪቡ'ዩ። \"ከተንፍስ ኣይከኣልኩን\" ክብል ኣብቲ ናይ ስልኪ ድምጺ ተሰሚዑ።","category":"ድኽነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55779413"} {"headline":"ኣብ በረኻ ንበይኑ መግቢ እናብሰለ ዝተስኣለ ኢትዮጵያዊ ህጻን ሓገዛት ተበርኪቱሉ","content":"ሓደ ኢትዮጵያዊ ህጻን ኣብ ጸምጸም በረኻ ንበይኑ መግቢ እናብሰለ እንከሎ ዝተስኣሎ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርግሑ ኣቓልቦ ብዙሓት ድሕሪ ምስሓቡ ገንዘባውን ንብረታውን ሓገዛት ተበርኪቱሉ። ነቲ ስእሊ ኣብ ካሜርኡ ዝሰነደ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ቦሩ ኮንሶ ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ ኣብቲ ከባቢ ሓደ ጸብጻብ ንምስራሕ ብሞተር ብሽክለታ ኣብ ዝተንቀሳቐሰሉ እዋን'ዩ ነቲ ህጻን ንበይኑ ኣብ ሰዓታት ምሸት ረኺብዎ። \"እቲ 10 ዓመት ዘይመልኦ ህጻን፡ ሓዊ ኣናኺሱ መግቢ የብስል ነይሩ። ንበይኑ ኣብቲ በረኻ መግቢ እናብሰለ ምስ ረኣኽዎ ኣዝየ'የ ሰንቢደ። ኣብቲ ከባቢ ክሳዕ 10 ኪሜ ዝኸውን ገዛ ዝበሃል ኣይትረክብን ኢኻ። ሽዑ ሞተር ብሽክለታይ ኣጸጊዐ ክስእሎ ወሲነ\" ኢሉ። እቲ ህጻን ንጋዜጠኛ ቦሩ ከም ዝነገሮ፡ ስድራቤቱ ኣብ ካልእ ወረዳ ዝነብሩ ክኾኑ እንከለው፤ ንሱ ማይን ሳዕርን ንምርካብ ነቶም ማል ሒዙ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይሳግም። ኣብዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ድርቂ ኣብ ልዕሊ ብጉስነት ዝናበሩ ስድራቤታት ከቢድ ጸቕጢ ፈጢሩ ይርከብ። እቲ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዘራራቢ ድሕሪ ምዃኑ ሓንቲ ካብቶም ነቲ ህጻን ክርእይዎ ናብቲ ከባቢ ዝተንቀሳቐሱ ኢትዮጵያዊት ብዓልቲ ዋኒን ሙና ባካረ እያ። ንሳ ነቲ ህጻን፡ ንስድርኡን ንጎረባብቱን መግብን ካልእን ሓገዛት ኣበርኪታ። \"ስእሊ እቲ ህጻን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስረኣኹ ልበይ ተንኪፉኒ። ክድቅስ ኣይከኣልኩን። ወደይ ከምኡ ከም ዘጋጠሞ እዩ ተሰሚዑኒ። ስለዚ ክእልሾ ጀመረ\" ትብል ሙና። ሙና፡ እቲ ህጻን ክሳዕ ኮሌጅ ዝውድእ ናይ ትምህርቱ ወጻኢታት ንምሽፋን ቃል ኣትያ።","category":"ድኽነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60385464"} {"headline":"ጸጋታት ዕድሜኹም ሓንኲኽኩም መሶብ ደቅኹም ኣይትብልዑ'","content":"ደቀንስትዮ ባህልን እምነትን ሕብረተሰበን ዝነፈገን መሰልን ከረጋግጻ ንኣሽሓት ዓመታት ኣብ ቀጻሊ ቃልስን ድርብ ጻዕርን ተጸሚደን ይርከባ። እቲ ንጓለንስተይቲ ኣትሒቱ ዝርኢ ሕብረተሰብ ከነኣእሰን፡ ንሳተን ኣንጻር እቲ ሱር ዝሰደደ ኣድልዎ “ ኣይፋል - እቲ ወዲ ዝኽእሎ ንኽእሎና ኢና። በብሰብኣዊ ፍጥረትናን ባይሎጂካዊ ክውንነትናን ማዕረ ኢና። ተደጋጊፍና እምበር ተነጻጺግና ኣይኮነልናን እዩ። ንሕና ብዘይ ደቂ-ተባዕትዮ አሕዋትና፡ ንሳቶም ብዘይ ብኣና ብደሆታት ዓለም ክንሰግሮ ኣይንኽእልን ኢና” ብምባል ኣብ መዳያት ለውጥን ምዕባለን ይስጉማ ኣለዋ። ኣብዚ እዋን እዚ ግን ንበይነን ጥራሕ እውን ኣይኮናን። ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲ ማዕርነተን ብግብሪ ኣረጋጊጸን ተባዕታዊ ልዕልነትን ኣድልዎን ይምክታ ብምህላወን ብዙሕ ካብ ተባዕታዊ ዓለም እውን ኣብ ጎድነን ደው ኢሉ ይድግፈን ኣሎ። ትማሊ 11 ጥቅምቲ ዓለማዊ መዓልቲ ጎራዙ ደቀንስትዮ እዩ። እቲ ዕለት ከም ኩሉ እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝበዓል ዓለማዊ መዓልቲ ዝኽርን ምንቕቓሕን ኮይኑ ቅድሚ 25 ዓመታት ኣብ ዋዕላ ቤጂንግ፡ ምዕሩይ ወለዶ ንምፍጣር ንጎራዙ ደቀንስትዮ ምትብባዕ ብዝብል ዕላመ ዝጀመረ እዩ። እቲ ዕለት ክበዓል ካብ ዝጅምር ክሳብ ሕጂ ብዝተፈለላየ ዓመታዊ ቴማ ደቀንስትዮ ምዕሩይ ናይ ትምህርትን ምዕባለን ዕድል ንኽረኽባ ዝምልከቶም ኣካላትን መሻርኽትን አእጃሞም ይገብሩ። ይኹን እምበር እዚ ዕለት ከም ኩሉ ካልእ ኣህጉራዊ ዓለማዊ መዓልታትን ንጥፈታትን ኣብ ዘበነ ኮቪድ ይበዓል ብምህላው ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ዝተፈላለየ ማእከላት እስፖርትን ተኣኻኺብካ ዝበዓል ዝነበረ ኣይኮነን። እቲ መንፈስን ሕልናን ነቲ ማዕርነትን ክብርን ጎራዙ ደቀንስትዮ ንክኽበር ምዝኽኻርን መልእኽቲ ንምትሕልላፍን ስለዝኾነ ካልእ እንተተረፍ በዚ ቴክኖሎጂ ዝፈጠሮ ዕድላት ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣኣብ ቤትካ ኬንካ ክበዓል ስለዝኽእል “ እቲ ቐንዲ ምዝካሩን ምብዓሉን ስለዝኾነ፡ መሃርን መሳጥን ዛንታታት ጎራዙ ደቀንስትዯ ብምንጋርን ምትራኽን ክበዓል ይከኣል እዩ” ትብል ሰላም ብርሃነ። ንኣብነት ታሪኽ እታ ኣሰር ኣቡኡ ብምስዓብ ንምዕሩይ ዕድላት ትምህርቲ ደቀንስትዮ ብተወፋይነት እናተጣበቐት፡ ኣብ 15 ዓመት ዕድመኣ ብጥይት ዝተሃርመት ፓኪስታናዊት ማላላ ሓደ ኣብነት እዩ። እታ መሰላት ቖልዑ ንኪኽበርን ምዕሩይ ዕድል ትምህርቲ ንኽህሉን ብምጉስጓሳ ኣብ 2014፡ ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ሽልማት ኖቬል ዝተቐበለት ማላላ ገና ካብ ቁልዕነታ ኣትሒዛ በተን ኣብ ዓዳ ዕድል ትምህርቲ ዝተሓረማ ደቀንስትዮ መዛኑኣ ብዙሕ ትሓስብ ስለዝነበረት፡ “ ደቀንስትዮ ክመሃራ ኣለወን” እናበለት ክትጽሕፍ ጀመረት። እንተኾነ በቲ ተካይዶ ዝነበረት ጎስጓስ ዘይተሓጎሰ ሓደ ኣባል እቲ ደቀንስትዮ ንክመሃራ ዘይፈቅድ ጉጀለ ጣሊባን ዝኾነ ዓስከር፡ ማላላ ኣብ ፈተና ትምህርቲ ውዒላ ብኣውቶቡስ ንገዝኣ እናኸደት ምስ ካልአይታ ተማሃሪት ኣብ ርእሳ ብጥይት ሃሪሙ ኣውዲቑወን። ዕድል ገይራ ግን ማላላ ኣይሞተትን። ንሕክምና ንብሪጣንያ ተወሲዳ። ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ከቢድ ሕክምናዊ ክንክንን ጻዕርን ከኣ ሓውያ። ግን ሰምቢዳ ካብ ዕላማኣ ኣይበኾረትን። ምስሓወየት “ዝጀመርኩዎ ቃልሰይ ክቕጽሎ እየ” ኢላ ንፓኪስታን ተመሊሳ፡ ንምዕሩይ ዕድል ትምህርቲ ደቀንስትዮ ትጉስጉስ ኣላ። ታሪኽ ማላላ እምበኣር ንብዙሓት መዛኑኣ ዘተባብዕን ዘበራብርን ክንገር ዘለዎ ናይ ዓወት ዛንታ እዩ። ኣብዛ መዓልቲ ጎራዙ ደቀንስትዮ ዓለምና ንኻልኦት ናእሽቱ ንምብርባር ዛንታ ማላላን ብጾታን እዩ ክንገር ዘለዎ። ተማሃሪት ኦክስፈርድ ዩኒቨርሲቲ ማላላ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣህጕራዊ መድረኻት እናኸደት ብመሰላት ትምህርቲ ቖልዑን ደቀንስትዮን ትጉስጕስ ኣላ። ምስ ወላዲኣ ዝያዲን ኰይና ከኣ ማላላ-ፋንድ ዚብል ትካል መስሪታ ኩለን ደቀንስትዮ ንክምሃራን ከይፈርሃ ንክነብራን ብዝከኣላ ትሰርሕ ኣላ። ከምኡ እውን ታሪኽ ሕጽይቲ ሽልማት ኖቨል ተጣባቒት ኣከባብን ክላይመትን ጓል 16 ዓመት ስዊደናዊት መንእሰይተ ግሬታ ተንበርግ ካልእ ዘደንቕ ዛንታ እዩ። ግሬታ ካብተን ብዙሓት ብኣብነት ዝጥቀሳ ጎራዙ ደቀንስትዮ ዓለምና እያ። ንሳ ብሰንኪ ሓላፍነት መጻኢ ወለዶ ዘይስመዖም ስርዓታት ዝስዕብ ዘሎ ዓለማዊ ዋዒ፡ ጽባሕ ንግሆ ከቢድ ጸገም ከኸትል እዩ ብማለት ኣብ መላእ ዓለም ጎስጓስ እተካይድ ዘላ መንእሰይ እያ። ንሳ ኣብ ኩሉ እተካይዶ ንጥፈታት “ እቶም ዓበይቲ ወለድናን ኣቦሓጎታትናን ብመጻኢ ዕድል ደቅኹም ሕሰቡ። ጸጋታት ዓለም ዕድሜኹም ሓንኲኽኩም መሶብ ደቅኹም ትበልዑ ኣለኹም” ኢላ ኣትሪራ ብምንቃፍ ሕብረተሰብ ዓለምን ስርዓታትን ብካባብን ክላይመትን ክሓስቡን ዓለማዊ ዋዒ ከኸትል ዝኽእል ንጥፈታት ከቋርጹን ብቐጻሊ ትጽዕት ዘላ ውፍይቲ መንእሰይ እያ። ናብቲ ድምጻ ከተስምዓሉ እትኸይድ ኣህጉራዊ መድረኻት ከኣ ኣብ ክንዲ ኣውሮፕላንን መርከብን ኣብ መጠን ዋዒ ዓለም ውሑድ ጽልዋ ብዝገብራ መራክብን ጀላቡን እያ ክትከይድ ትመርጽ። ተበግሶ ግሬታ ግን ንመዛኑኣ ጥራሕ ዘይኮነ ንኹሎም ተጣበቕቲ ክላይመት ህዝቢ ዓለም ኣበራቢሩ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እኳ ንጻውዒት ግሬታ ዝድግፉን ዋዒ ዓለምናን ለውጢ ክላይመትን ዘሰከፎም ተጣበቕቲ ክላይመት ንቐንዲ ጎደናታት ከተማ ለንደን ተቖጻጺሮም ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም ነይሮም። ሕብረተሰብ ዓለም ገና ብዙሕ ዘይተዛዘመ ዕዮ ኣለዎ። ሓደ ካብኡ እዚ ሕጂ እንዛረበሉ ዘሎና ጉዳይ መሰልን ማዕርነትን ደቀንስትዮ እዩ። ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብን ዓለምን ዝኾና ደቀንስትዮ ኣብ ኩሉ ብደሆን መኸተን ፍርቂ ሓይሊ እየን። ፍርቂ ሓይሊ ምዃነን ጥራይ ዘይኮነስ ብፍላይ ኣብቲ ንሳተን ዝኽእለኦን ዝመልክኦን ዓውዲ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ጸብለል እውን ክብላ ይኽእላ እየን። ስለዝኾነ ጾታዊ ማዕርነት ኣኽብሮ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ምዕሩይ ርጉእ ሕብረተሰብ ንምምስራት ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለዝኾነ ናብቲ እንኸዶ ነዊሕ ጉዕዞ ብሓባር ክንከይድ ብኹሉ ጸዓተን መጓዕዝቲ እቲ መገዲ ዝኾናና ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ዓለም ኣብ ጎድንና ክንሓቑፈን ኣሎና ይብል ብምዕሩይ ዕድላት ደቀንስትዮ ዝግደስ መንእሰይ ምኪኤል ብርሃነ።","category":"ድኽነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54506831"} {"headline":"ገዛእ ርእሱ ብሓዊ ዘቃጸለ ሃገር ኣልቦ መንእሰይ","content":"ወዲ 27 ዓመት ሃማድ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ንገዛእ ርእሱ ብሓዊ ምቅጻሉ ንመላእ'ታ ሃገር ዘዘራረበን ዘቖጠዐን አኣጋጣሚ ኮይኑ'ሎ። እታ ንእሽቶ: ብሃብቲ ነዳዲ እትልለ ሃገር: ውልቀሰባት ናብ ከምዚ ዝበለ ዘሕርቕ ኩነታት ኣትዮም ነብሰ ቕትለት ክፍጽሙ ናብ ዘገድድ ደረጃ ከምእተብጽሕ ኣይትግመትን። ሃማድ ግን ሓደ ካብ ኣባላት ሃገር ኣልቦ ማሕበረሰብ ቢዱን'ዩ። ቢዱን ዓረብኛ ቃል ኮይኑ \"ዘይብሉ\/ብዘይገለ\" ዝብል ትርጉም ይሕዝ። ቢዱን ምስቲ ሰፊሕ ሕብረተሰብ ንከይራኸቡ ብገደባት ዝተሓጸሩ ዜግነት ዘይብሎም ማሕበረሰብ'ዮም። ዝኾነ ቦታ ወይ ደረጃ ዘይወሃቦም፤ ንትምህርቲ፣ ሕክምናን ስራሕን ዕድል ዘይረኽቡ። ብፍላይ ሃማድን ስድርኡን ብዘሕዝን ኩነታት ብዘይገለ ተስፋ ዝነብሩሉ ማሕበረሰብ እዮም። 'ኩሉ ነገር ዕጽው ኮይንዎ' ካብ ከተማ ኩዌት 7 ኪሎሜትሮ ጥራሕ ርሒቓ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ሱላይቢያ ካብቶም ኣለዉ ዝበሃሉ ማእኸላት ንግድን ዓበይቲ ህንጻታትን እታ ርእሰ ከተማ: ኣዝያ ዝተነጸለት እያ። 10 ኣሕዋትን ኣሓትን ዘለዎ ኦማር ምስ ስድርኦም'ዮም ዝነብሩ። ኣብቲ ማሕበረሰብ ቢዱን ብስፍሓት ዝነብሩሉ ፕሮጀክት መንበሪ ኣባይቲ በዓል 5 ክፍሊ ገዛ ኣለዎም። ወዲ 33 ዓመት ኦማር ምስቲ ምንኣሱ ዝነበረ ሃማድ ጥቡቕ ዝኾነ ርክብ ነይርዎም። \"ኣብ ዓለም እቲ ለጋስ ዝበሃል ሰብ'ዩ፤ ስቕተኛን ወትሩ ፍሽኽታ ዘይፍለዮን\" ክብል ንሓዉ ይገልጽ ኦማር። ካብ ቅድሚ ሓደ ዓመት ጀሚሩ ይኸውን ግን እቲ ምንኣስ ሓዉ ተስፋ ክቖርጽ፤ ገዛ ዓጽዩ ኮፍ ክብል ምጅማሩን ኣሕዋቱ ናብ ደገ ከውጽእዎ ክፍትኑ እንከለዉ ምንጻግን ዝኣመሰሉ ሓደሽቲ ባህርያት ተራእይዎ። ብሓዘን ዝተሰበረ ኦማር \"ኩሉ ነገር ንዕኡ ዕጽው ነይሩ\" ክብል ነቲ ኩነታት ይገልጾ። ጉዳይ ማሕበረሰብ ቢዱን ካብ 1961 ይጅምር። ኣብቲ ሽዑ እዋን እታ ሃገር ካብ ብሪጣኒያ ናጽነታ ክትእውጅ ከላ ኣብ ውሽጢ ዶባት ዝነብሩ ዝነበሩ ስድራ ሕቶ ዜግነት ከየቕረቡ ብምትራፎም ነቲ ክሳብ ሎሚ ዝርከቡሉ ኩነታት ተቓሊዖም። ብርግጽ ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ካልኦት ሃገራት'ውን ሃገር ዘይብሎም ነበርቲ ከምዘለዉወን'ዩ ዝግለጽ። ከም ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝበላ ሃገራት'ውን ዜግነት ወይ ሃገር ዘይብሎም ነበርቲ ኣለውወን። መብዛሕቲኦም ከኣ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝነበሩ ሰበኽሳግማዊ መነባብሮ ዝነበሮም ዓሌት ዝመጽኡ ኮይኖም ብወግዒ ሃገር ኣብ ዝምስረተሉ እዋን ዜግነት ክወሃቦም ዘይሓተቱ እዮም። ኣብ ካልኦት ከባብታት እቲ ዞባ ዝነብሩ ድማ ዜግነቶም ምስተሓደጉ ሃገር ኣልቦ ኮይኖም ከምዝተረፉ ይግለጽ። ኣብ ከም ባህሬን ዝበላ ሃገራት ዝነበሩ ዜግነቶም ተሰሪዙ'ዩ። እቲ ጉዳይ ብፍላይ ኣብ ኩዌት ዝተሓላለኸ ኮይኑ ክቕጽል ከሎ ኣባላት ማሕበረሰብ ቢዱን \"ዘይሕጋውያን ነበርቲ\" ብዝብል ተነጽሎ ኣጋጢምዎም። መንግስቲ ከምዝብሎ እንተኾይኑ ኣብዚ እዋን ካብቶም ልዕሊ 100,000 ነበርቲ እቶም 34,000 ጥራሕ'ዮም ዜግነት ክሓቱ ሕጋውነት ዘለዎም። ሃማድ ቀዳማይ ደረጃ ትምህርቱ ምስወደአ ናብ መንግስታዊ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣትዩ ክመሃር ዕድል ኣይረኸበን። ናይዚ ምኽንያት ድማ ኣባል ማሕበረሰብ ቢዱን ምዃኑ እዩ። ቤተሰቡ'ውን ከፊሎም ከምህርዎ ዓቕሚ ኣይረኸቡን። ንሱ ኣቡኡን ኣሕዋቱን መኻይን እናዓደጉን እናሸጡን ብዝረኸብዎ ኣታዊ ከቢድ ናብራ ክመርሑ እናረኣየ'ዩ ዓብዩ። ሓደ ወርሒ መኪና እንተሸይጦም ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝኣክል ፈታኒ ጊዜ ከሕልፉ ይግደዱ። ሽዑ ህይወቱ በዚ መገዲ ከክቕጽል ከምዘይብሉ ወሲኑ። ሓዉ ከምዝብሎ እንትኾይኑ ሃማድ ናብ ሰራዊት ክጽምበር ሕልሚ ነይርዎ። ኣብቲ ዝጸበበ ዕድል ኮይኑ ዝከኣሎ ክጽዕር ብምውሳን ድማ ክሳብ'ታ ብፖሊስ ዝተትሓዘላ መዓልቲ ኣብ ጎደናታት ብርጭቕ ['ወተርሚለን'] ይሸይጥ ነይሩ። ብድሕሪኡ ናብ ንግዲ ረጋቢት ብምእታው ዝገበሮ ፈተነ'ውን ከሰምረሉ ኣይከኣለን። ሃማድ ሓንቲ በጊዕ ሰሪቑ ብምሻጡ ሸሞን ኣዋርሕ ኣብ ማእሰርቲ ምስኣሕለፈ ጃዘም ዝተበሃለ ሓዉ ናብ ሞሮኮ ዝኸደሉ ናይ መገሻ ሰነድ ኣዳልዩሉ። ኦማር ከምዝብሎ ድማ እቲ መገሻ ኣብ ህይወቱ ዋግዋጎ ተስፋ ሒዙ ዝመጽአ ኮይኑ። \"ዓለሙን ህይወቱን ረኺቡ፤ ሕጉስ ነይሩ። ሰለስተ ሰሙን ጥራሕ'ዩ ኣብኡ ጸኒሑ ግን ከኣ ንሰለስተ ዓመታት ኣብኡ እንተዝጸንህ ባህጊ ነይርዎ። ብድሕሪኡ ዝነበሩ ሓሙሽተ ዓመታት ከኣ ብዛዕባ ናይ ሞሮኮ መገሽኡ እናተዛረበ ኣሕሊፍዎ\" ይብል ኦማር። ኣብ ቀረባ እዋናት ሃማድ ንኣዲኡ ሓድሽ ህይወት ናይ ምምስራት ድልየት ከምዘለዎ ክነግራ ጀሚሩ ነይሩ። ክረጋጋእን ሓዳርን ክገብርን ድልየቱ ገሊጹላ። ኮይኑ ግን ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ስድርኡ'ውን ተዳኺሙ ብምንባሩ \"ፈጣሪ ክምልኦ እዩ\" ኢላ ካብ ዝገበረትሉ ንኢሽተይ ሓገዝ ወጻኢ ድላዩ ክትመልኣሉ ኣይከኣለትን። ነብሰ ቕትለት ናይ ምፍጻም ድልየት ከምዘለዎ ይዛረብ ምንባሩ ዝዝክር ሓዉ ኦማር፤ እንተኾነ እቲ ዘረብኡ ናብ ተግባር ከምዝቕይሩ ክሳብ እታ መዓልቲ ዝጠርጠሮ ሰብ ኣይነበረን። እታ መዓልቲ ንጉሆ ነይራ። ንነብሱ ብሓዊ ኣቃጺሉ። ነብሰ ቕትለት ፈጺሙ። ብድሕሪ'ዚ ኩነታት ከኣ ኣባል ባይቶ ዝኾነ ማርዙቕ ኣል-ከሊፋ፤ መንግስቲ ነቲ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ቢዱን ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ነብሰ ቅትለት ዝምርምር ኮሚቴ ከቕውም ጻውዒት ኣቕሪቡ። \"ኣብ ዝተባረኸት ሃገር ኢና ንነብር. . .ሰባት ግን ሕዚ'ውን ብምኽንያት ምኽባድ ናብራን ካልኦት ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ዝተነበሩ ገደባትን ነብሰ ቕትለት ይፍጽሙ ኣለዉ\" ይብል እቲ ኣባል ባይቶ። ተጣባቒ መሰላት ማሕበረሰብ ቢዱን ዓብዱላህ ኣል-ረባህ፡ እቶም ዜግነት ንምሕታት ሕጋውነት ኣለዎም ዝተባሀሉ 34,000 ኣባላት ቢዱን ካልኦት ነዚ ዕድል ዘይረኸቡን ህይወቶም ብኣግባቡ ክመርሑ ዘኽእሎም ሲቪላዊ መሰላቶም ክሕለወሎም ድልየት ኣለዎ። \"ክሳብ ሳልሳይ ወለዶ ንጉዳያቱ ፍታሕ ከይረኸበ ዝመጽእ ማሕበረሰብ እዩ። ክሳብ መዓዝ ክጽበዩ? እዚ ጽልዋ ፈጢሩሎም ኣሎ\" እብል ኣል-ረባህ። ኦማር ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ጎኒ ሓዉ ክኸውን ይብህግ። ብዝረኸቦ ኣጋጣምታት ካብ ሱላይቢያ እናወጽአ ነቲ ዘለዎ ጭንቂ ክርስዕ ይፍትን፤ ናብ ጥቓ ባሕሪ እናኸደ'ውን ንበይኑ ኮፍ ክብል ይመርፍ። ኣብዚ እዋን ግን ነቲ ኣብ ክፍሊ ብጽኑዕ ዝሓመሙ ክትትል ንዝግበረሉ ሓዉ ሃማድ ብመስኮት ክሪኦ ብምድላይ መዓልታዊ ናብቲ ሆስፒታል ይመላለስ። ንሓዊ ዝሕክሙ ዶካትር ጽቡቕ ዜና ከስምዕዎ ተስፋ ብምግባር ይጽበይ። ኣብዚ ዛንታ ናይ ዝተገለጹ ሰባት ስም ንድሕነቶም ብዝብል ክቕየር ተገይሩ'ሎ።","category":"ድኽነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55643115"} {"headline":"ኮቪድ-19፡ ውፅኢት መርመራ ኮሮናቫይረስ ኣብ ደቓይቕ ክሕብር ዝኽእል መሳርሒ ንሃገራት ክዕደል'ዩ","content":"ውፅኢት መርመራ ኮሮናቫይረስ ኣብ ደቓይቕ ክሕብር ዝኽእል መሳርሒ ንሃገራት ክዕደል'ዩ ተባሂሉ። እዚ ሓሙሽተ ዶላር ጥራሕ ከፊልካ መርመራ ዝገብር መሳርሒ፡ ንሃብታማት ዘይኮናን ሕፅረት ሰብሞያን ላባራቶሪን ኣብ ዘለወንን ሃገራት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ብብዝሒ ንምፍላይ ከምዝሕግዝ'ውን ተገሊፁ። ነዚ መመርመሪ ዘፍርዩ ትካላት ኣብ ውሽጢ ሽድሽተ ወርሒ፡ 120 ሚልዮንን ከፍርዩ ኣብ ስምምዕ በጺሖም ኣለዉ። ውድብ ጥዕና ዓለም ድማ፡ ቀንዲ መቐይሮ ነጥቢ ክብል ገሊፅዎ። ውፅኢት መርመራ ኮሮናቫይረስ ንምፍላጥ ዝወስዶ ግዘ፡ ብዙሓት ሃገራት ለበዳ እቲ ቫይረስ ንምቁፅፃር ንዝገብርኦ ቃልሲ ኣሰናኺልዎ እዩ ፀኒሑ። ብፍላይ ድማ ለበዳ እቲ ቫይረስ ሰማይ ኣብ ዝዓረገለን ሃገራት ህንድን ሜክሲኮን፡ ውፅኢት መርመራ ኮቪድ-19 ብቕልጡፍ ክፈልጣ ዘይምኽኣለን፡ ዘሎ ደረጃ ምልባዕ እቲ ለበዳ ከይርእያ ከምዝዓገተን ሰብሞያ ይገልፁ። ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ፡ እቲ \"ተንቀሳቓስን ንኣጠቓቕማ ምችዉን\" ዝኾነ መመርመሪ፡ ካብ 15 ክሳብ 30 ደቓይቕ፡ ውፅኢት ምርመራ ከምዘፍልጥ ሓቢሩ። ኣፍረይቲ መድሓኒት ኣቦትን ባዮሴንሰርን ድማ፡ ምስ ፋውንዴሽን ቢልን ሚሊንዳ ጌትስን ብምዃን፡ ኣብ ዝቕጽሉ 6 ኣዋርሕ 120 መመርመርታት ንምፍራይ ከምዝተሰማምዑ፡ እቲ ዳይሬክተር ተዛሪቡ። ብመሰረት እቲ ስምምዕ ዝፈርዩ መመርመርታት፡ በዚ ቫይረስ ዝተጎድኣ ሃገራት ላቲን ኣሜሪካ ዝርከብአን 133 ሃገራት ከምዝወሃብ ተገሊፁ። ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ \"እዚ መመርመሪ፡ ብፍላይ ልዑል ለበዳ ኣብ ዘለዎም ከባብታት፣ ላባራቶሪ ኣብ ዘይብሉን ንምብፃሕ ኣብ ዘፀግሙን ከባብታት ዓብይ ናይ ምምርማር ዓቕሚ ዝፈጥር እዩ\" ኢሉ።","category":"ድኽነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54336239"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት 10.3 ቢሊየን ዶላር ሓገዝ ገንዘብ ሓቲቱ","content":"ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንጻር ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ንሓገዝ ዝውዕል 10.3 ቢልዮን ዶላር ገንዘብ ክተኣኻኸብ ጸዊዑ። ኣብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት'ውን፡ ክልተ ቢልዮን ዶላር ገንዘብ ክእከብ ሓቲቱ ነይሩ'ዩ። እቲ ዓለማዊ ትካል ከም ዝብሎ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ኣስታት 265 ሚልዮን ሰባት ዓጸቦ ከጋጥሞም ከም ዝኽእል ሓቢሩ። ብሓገዝ ዝርከብ ገንዘብ ድማ፡ ትሑት እቶት ንዘለወን ከምኡ'ውን ንተነቀፍቲ ሃገራት ከም ዝውዕል ሓቢሩ። እዚ ክንገብር እንተዘይክኢልና ግን፡ ንዓሰርታት ዓመታት ዝመጽአ ዕብየት \"ናብ ድሕሪት ክምለስ ይኽእል'ዩ\" ብምባል ኣጠንቂቑ። ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ብፍላይ ኣብተን ኣዐርየን ድኻታት ዝኾና ሃገራት ከቢድ ጸቕጢ የሕድር ከም ዘሎ ይግለጽ። ሃፋትም ሃገራት ብልክዕ እቲ ቑጠብአን ንምድሓን ዝገብረኦ ዘለዋ ምርብራብ፡ ንድኻታት ሃገራት'ውን ክገብርኦ ይግባእ ብምባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተማሕጺኑ። እንተዘይኾይኑ ግን፡ ዓለም ከቢድ ቅልውላው ከም ዝገጥማ ብምግላጽ \"ሚሊዮናት ንጥምየት ክቃልዑ'ዮም\" ክብል ኣጠንቂቑ። ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ስደተኛ ሰራሕተኛታት ብምኽንያት ዕጽዋ ናብ ስድርኦም ገንዘብ ክልእኹ ኣይክኣሉን፣ ንህጻናት ዝወሃቡ ክታበታት ተኣጓጒሎም'ዮም ዘለው፣ ብዙሓት ሃገራት ድማ ኣብ ክሊ እቲ ለበዳ ንዓመታት ዝዘለቐ ኲናትን ምምዝባልን ይርኣየን ኣሎ ኢሉ። ኣብ የመን ጥራሕ፡ ርብዒ እቶም ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት ክሞቱ ከለው፡ እዚ ካብ ዓለም ሓሙሽተ ዕጽፊ እዩ። ኦክስፋም፣ ክርስቲያን ኤይድ፣ ኢስላሚክ ረሊፍን ቀይህ መስቀል ብሪጣኒያንን ንጻውዒት ምትእኽካብ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተቐቢሎም፡ ህዝቢ ብሪጣኒያ ሓገዝ ንክገብር ከተሓባብሩ'ዮም። ኣብ ዓለም 13.8 ሚሊዮን ሰባት በዚ ቫይረስ ክሓሙ ከለው፡ ቑጽሪ ዝሞቱ ሰባት ናብ 600 ሽሕ ይጽጋዕ ኣሎ።","category":"ድኽነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53440933"} {"headline":"ንህንዳዊት ህጻን ዕድል ትምህርቲ ዝፈጠረትላ ኣዘራራቢት ስእሊ፡ ብኸመይ?","content":"ህንዳዊት ጓል 5 ዓመት ህጻን ኣብ ኣፍደገ መምሃሪ ክፍሊ ተቐልቂላ ናብ ውሽጢ እናማዕደወት እተርእይ ስእሊ ህዝባዊ ቁጠዐ ኣኸቲላ'ያ። ነታ ህጻን ድማ ዕድል ትምህርቲ ፈጢራትላ። እታ ስእሊ ግን ስለምታይ ነቲ ምሉእ ዛንታ (ሓቂ) ዘየቃልዐት? ዲቪያ ኣብ ህንዲ ድኻታታት ኣብ ዝነብሩሉ ከባቢ ትነብር ህጻን'ያ። ድስቲ ሒዛ ኣብ ኣፍደገ መምሃሪ ክፍሊ ሓደ መንግስታዊ ቤት ትምህርቲ ደው ኢላ እተርእይ ስእላ ግን ብደረጃ ዓለም ክትፍለጥ ኣኽኢላታ። እታ ስእሊ ብ 7 ሕዳር ኣ.ኣ ኣብ ሓደ ጋዜጣ ምስተሓተመት፡ \"ቀውታ ጥምየት\" ዝብል ጽሑፋዊ መግለጺ ተገይሩላ ነይሩ። ሽዑ ድማ ቀልቢ ብዙሓት ስሒባ። ተጣበቕቲ መሰል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ነታ ስእሊ ተቐባቢሎም ዘርጊሖምዋ። መግብን ዕድል ትምህርትን ዘይተወሃባ ህጻን ከምዘላ ዝሕብር መልእኽቲ ድማ ኣሕሊፎም። በዚ ምኽንያት፡ ዲቪያ፡ ካብቲ ቤት ትምህርቲ ዕድል ትምህርቲ ረኺባ። ብስራሕ ጽርየት ስድርኡ ዘመሓድር ኣቡኣ ሉሻክማን ግን፡ እታ ስእልን ኣብ ህዝቢ ዝፈጠረቶ ቁጠዐን፡ ንዕኡ ኮነ ንበዓልቲ ቤቱ ያሾዳ ፍትሓዊ ከምዘይነበረ ይገልጽ። \"ነታ ስእሊ ምስረኣኹ ሓዚነ፤ ስድርኣ ብህይወት ኣለና። ዝሓሸ ዕድል ንኽህልዋ ከኣ ብዝከኣል ዓቕሚ ንጽዕር ኣለና። እቲ መልእኽቲ ግን ልክዕ ወለዲ ዘይብላ ዝጠመየት ህጻን መሲሉ'ዩ ሓሊፉ\" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ጓሉ ሽድሽተ ዓመት ምስመልኣ ናብቲ ካልኦት ክልተ ደቁ ዝመሃራሉ መንግስታዊ ቤት ትምህርቲ ከእትዋ ይሓስብ ምንባሩ'ውን ገሊጹ። ዲቪያን ስድርኣን ኣብ ሓንቲ ጸባብ ገዛ ይነብሩ። እቲ ዝነብሩሉ ከባቢ ድማ ሻውል (ድኻታት ዝነብሩሉ ቦታ) እዩ። ካብቲ ንሳ ስእሊ ዝተስኣለትሉ መንግስታዊ ቤት ትምህርቲ ከኣ ከባቢ 100 ሜትሮ ጥራይ ይርሕቕ። ኣብቲ ቦታ ካብ ዝነብሩ 300 ስድራ ኣብ መዓልታዊ ስራሕ ዝነጥፉን ንደቆም ኣብቲ ጥቕኦም ዘሎ ቤት ትምህርቲ ዘምህሩን'ዮም። ላክሽማን [ኣቦ ዳቪንያ] ንባዓሉ ብዘይስድራ ከምዝዓበየ ይዛረብ። \"ደቀይ ነቲ ኣነ ዝሓለፍክዎ ህይወት ክደግምዎ ኣይድልይን። ንኹሎም ናብ ቤት ትምህርቲ ከምዝልእኾም ርግጸኛ እየ\" ኢሉ።","category":"ድኽነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50449900"} {"headline":"ዓለም-ለኸ መዓልቲ ህጻናት፡ ምኽባር እዛ መዓልቲ እንታይ ረብሓ ይህልዎ?","content":"\"ሕጻናት ፍቕሪ እዮም። ህጻናት ብጹኣት እዮም። ህጻናት ደስታ እዮም\" ትብል፡ ኣብ ትሑት ዝእቶቱ ስድራ ደቃ አዕብያን ኣመርዕያን ደቂ-ደቃ ክትርኢ ዝበቕዐት፡ ምስ ህጻናት ብዘለዋ ልዑል ፍቕርን ተገዳስነትን እትልለ ምልእተ። ምልእተ ቖልዑ ጎረባብቲ ኣኪባ ፍቕሪ እተስተምህር፡ ኣዴታት በቲ ዝርካበን ትሕዝቶ ብኸመይ ንደቀን ክኣልያን ክናብያን ከምዘለወን ካብ ተመኩሮኣን ዘንበበቶ መጻሕፍትን ወለንታዊ ምኽርን ሕውነታዊ ኣስተምህሮን ትህብ። \"ሕጻናት ፍቕርን ብርሃንን መጻኢ ስለዝኾኑ ክፍቀሩን ክሕብሓቡን ይግባእ\" ብምባል፡ ንህሉው ኩነታት ኣልያን ናብዮትን ሕጻናት ብምስትንታን፤ \"ሕጻናት ዓለምና ግን ከመይ ኣለው?\" ዝብል ሕቶ ተቐምጥ። ነቶም ኣብ ፈቐዶ ኩርናዕ ዓለም ብሰንኪ ኩናትን ግጭትን ዝሳቐዩ ዘለው ህጻናት ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ሚልዮናት ህጻናት ኣብ ሓደጋ ከምዝርከቡ ትገልጽ። ሎሚ ኣስታት ዳርጋ ፍርቂ ብዝሒ ዓለም (ልዕሊ 3 ቢልዮን ሰባት) ብትሕቲ 2.50 ዶላር ንመዓልቲ እዮም ዝነብሩ። ልዕሊ 1.3 ቢልዮን ከኣ 1.25 ዶላር መዓልታዊ እቶት ኣብ ሕሱም ድኽነት ይነብሩ። ሓደ ቢልዮን ሕጻናት ዓለም ከኣ ኣብ ፍጹም ድኽነት ይነብሩ። ብሰንኪ እዚ 22,000 ሕጻናት ብድኽነት ከምዝሞቱ ጸብጻብ ዩኒሴፍ የረድእ። ባህሪያዊ ነገር ስለዝኾነ፡ ኣብ ዓለም ንውልዱ ሰናይን ጽቡቕን ዘይምነየሉ ወላዲ የሎን። ብፍላይ እታ ዒሕ-ፍንጭሕ ኢላ ዝወለደት፡ ኣፋ ገዲፋ ንውላዳን ደቃን እትዕንግል ኣደ። \"ኣደ ንህጻናት ዘለዋ ፍቕርን ሓልዮትን ብኸመይ ክዕቀን ይኽእል? ትብል ዶክተር ኣስያ ኣሕመድ ኣብ መንጎ ዕላል ዓለማዊ መዓልቲ ሕጻናት። ኣብ ዓለምና ብሰንኪ ልዕሊ ዓቕሚ ድኻታት ስድራታት፣ ብቐሊሉ ክፍወስ ዝኽእል ፈኮስቲ ሕማማት፣ ጉደለት ንጽህና ጽሩይ ዝስተ ማይ፣ ጉድለት መኣዛታት፣ ኩናትን ግጭትን ኣበየ ክፍለ ዓለሙ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ሳልሳይ ዓለም መዓልታዊ ኣሻሓት ሕጻናት እዮም ዝሞቱ። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዑቁድ ኣብ ዜጋታት ምብራቕን ቀርንን ኣፍሪቃ፡ ዜጋታት ሱዳን፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ በረኻታት ሰሃራን ሲናይን ኣብ ደቆምን ነብሶምን ዘጋጠመ ሞትን ግፍዕን ማሕበረ ሰብ ዓለም ብሓዘን ዝዝከሮ ፍጻሜ ምዃኑ ትገልጽ ዶክተር ኣስያ። \"ኣብ ጉዕዞ ስደተን ካብ ሸፋቱ ሊብያን ነጋዶ ደቂ ሰባትን ብዓመጽ ድቂ ኣትሪፈን፡ ወትሩ ስቓየን ዘዘኻኽሩዎን ኣቦ ዘይብሎም ቖልዑ ወሊደን ኣብ ጭንቀትን ስቓይን ዝነብራ ኣዴታትን ደቀንን ኣብዛ ዕለት ጥራሕ ዘይኮነ ብቐጻሊ ክንዝክሮም ክንሓስቦም ይግባእ\" ክትብል ትዛረብ። ቦዅሪ ውላዱ ክትውለድ እንከላ ዝተሰመዖ ሓጎስ መዐቀኒ ከምዘይነበሮ ዝዛረብ መንእሰይ በዓል ሓዳር ኣኽሊሉ ጸጋይ፡ ክቱር ፍቕሪ ሕጻን ስለዝነበሮ፡ ምስተመርዓወ ምስ በዓልቲ ቤቱ ቀልጢፎም ክወልዱ እዮም ተሰማሚዖም። ሎሚ በዅሪ ጓሎም ንፍቕሮም ፍቕሪ ወሲኻትሉ፡ ንህይወቶም ከኣ ፍሉይ መቐረት ሂባቶ ትርከብ። መብዛሕቱ ግዜ ብኣባታዊ ስርዓት ዝመሓደር ሕብረተሰብ ወዲ ክብኮርን ኣወዳት ክወልድን እዩ ዝፈቱ፤ ኣኽሊሉ ግን ጓል ብምብኳሩ ፍሉይ ሓጎስ ከምዝተሰመዖ እዩ ዝገልጽ። ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ ከኣ \"በዅሪ ገዛና እተርእየና ዝነበረት ሓልዮትን ክንክንን ስለዘስተማቕሮ ክኸውን ይኽእል እዩ\" ይብል። መነብሮን ህይወትን ሕጻናት ዓለም ተመሓይሹ፡ ሕጻናት ብዘይ ዝኾነ ይኹን ሕጽረት ብፍቕሪ፣ ሓልዮትን ክንክንን ንኪዓብዩ ዝምነ ኣቦ ሰለስተ ቖልዑ ካሕሳይ ተወልደብርሃን እውን ነዛ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሕጻናት ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ዝተፈላላየ መዋእለ ሕጻናትን ኣብ ሜድያን ክትበዓልን ክትዝከርን ይርኢ ምንባሩ እንተኾነ ድሕሪ ስደት ዋላ እውን ሰለስተ ቖልዑ እንተወለደ ዘኪሩዋ ከምዘይፈልጥ እዩ ዝገልጽ። ዳርጋ ኩለን ስድራቤታት ዓለምና ምስ ደቀን ኣብ ናብዮቶምን ሓልዮቶምን መዓልታዊ ስለዘለዋ፡ ንዓለማዊ መዓለቲ ህጻናት ዝዝክራ ውሑዳት እየን ክኾና ዝኽእላ። ካሕሳይ ይኹን ኣኽሊሉ እውን እዛ ዕለት መዓልቲ ሕጻናት ምዃና ዘይምዝካሮም ኣይሓብኡን። \"መዓልታዊ ምሳኻ ንዝነብር ሕጻንከ ስለምንታይ ኢኻ ኣብ ዓመት ሓንቲ መዓልቲ ትበዓል ዓለማዊ መዓልቲ ትደልየሉ። መዓልቲ ሕጻናትሲ ኣብ ዓመት? ኣብ ወወርሑ እኳ ክውሕድ!\" ክትብል ምልእተ ርእይቶኣ ተስፍር። ኣኽሊሉ ጸጋይ ብወገኑ፡ \"ህጻናት ምስ ወላዲ ኩሉ ግዜ ኣለው። ወደይ ወይ ጓለይ ኢልካ ኣብ ዓመት ሓንቲ ጊዜ ኣይኮንካን ትዝክር። \"እዛ መዓልቲ እዚኣ ግን ዕላምኣን ብመሰረታውነት ዝሓዘቶ ሸቶን፡ ከም ዝመስለኒ ነቶም ወላዲ ዘይብሎም፡ ነቶም ብዙሕ ጸገማት ተሰኪሞም ክንሶም ብዙሕ ሰብ ከይተገንዘበሎም፡ ነቲ ጸገማቶም ከይረኣየሎም፡ ነዛ ዓለምዚኣ ዝሓልፉዋ ዘለው ህጻናት ክረኽብዎ ዝግባእ ክንክን፡ ሓልዮት፡ ግንዛበ ንምፍጣርን ንምንቅቓሕን እዩ\" ይብል። ኩሎም ሕጻናት ብሰላም ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ይሓልፉ ኣለው ማለት ኣይኮነን። ብዂናት ኣብ ዝተሓመሳ ሃገራት ግዳያት ዝኾኑ፡ ሞት መቑሰልቲ ዘጋጥሞም ህጻናት፡ ቁጽሮም እዚ'ዩ ኢልካ ክትገልጾ ኣይከኣልን እዩ። ንሶርያ ከም ኣብነት ዝጠቅስ ኣክሊሉ፡ \"ሕጂ ኢትዮጵያ ዘላቶ ኩነተታት ምርኣይ እውን ሓደ ግንዛበ ክህብ ይኸእል እዩ። ብዙሓት ህጻናት ግዳይ ኮይኖም እዮም\" ይብል ነቲ ኣብ ሕጻናት ዝወርድ ግፍዕን መከራን እናስካሕከሖ። ካሕሳይ እውን ብወገኑ፡ ኣብ ሚድያታት ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝወርድ በደል ምርኣይ ከምዘሕዝኖ ብምግላጽ፡ \"ንደቀይ ኣብቲ ንኻልኦት ሕጻናት ዝወርዶም ግፍዒ አእትየ ክርእዮ ዝፍትን\" ብምባል ከም ፍጡር ሰብን ከም ወላድን ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ብፍላጥ ኮነ ብዘይፍላጥ ንዝወርድ ዝኾነ ይኹን በደል ይኹንን። ሕጻናት እቶም ናብ ዓለም ዘምጽኡዎም ስድራቤታት ብዝውስንዎ ውሳነ ምንም ኣብ ዘይፈልጥዎን ኢድ ኣብ ዘይሕውሱሉን ነገር ግዳያት ክኾኑ ምርኣይ ከኣ ብልቢ ከምዘሕዝኖ ይዛረብ። ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ኣትሒዙ፡ ማሕበረ ሰብ ዓለም ንመነባብሮን ጥዕናን ሕጻናት ንምምሕያሽ ብሓባር መታን ክሰርሕ ን20 ሕዳር ከም ኣህጉራዊ መዓልቲ ሕጻናት ክትዝከርን ክትክበርን ወሲኑ ካብ 1989 ክሳብ ሎሚ ዓመት መጽአ የብዕላ ኣሎ። ንመጻኢ እውን ካብዚ ሕጂ ዝበዓል ዝዝከርን ዝኽበርን ዘሎ ብዝሓሸን ብዝሰፍሐን ኣገባብ ክበዓል ትጽቢት ይግበር። ኣብዛ ዕለት፡ ነብሲ ወከፍ ኣባል ሃገር ሕቡራት ሃገራት፡ ፖሊሲ ዝሕንጽጹን ዝኽልሱን ኣካላት መንግስቲ፡ ግዱሳት ኣህጉራውያን ማሕበራት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ሃይማኖታዊ ትካላትን፡ ኣብያተ ትምህርትን መዋዕለ ሕጻናትን ስነ-ጥበባውያን ደረስቲ ጸሓፍቲ ዘየምቲ ገጠምቲ ኩሎም ብዛዕባ ሕጻናት ይጽሕፉን ይዛረቡን። ካብ ፈቐዶ ሃገራት ቀዳማይ ዓለምን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራትን ብሞያውያን ዝተኻየደ ዝርዝራዊ መጽናዕቲ ከም መበገስን መገምገምን ንጥፈታት ብምቕራብ ኣብ ኣልያን መሰልን ሕጻናት ንቕሓት ዘዕቢ መደባት ከምዘካይዱ ትካል ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ሕጻናት የረድእ። እዚ እቲ መንግስታዊ ኣካላትን ዓበይቲ ትካላትን ብደረጃ ፖሊሲን ካልእን ዝገብሩዎ ኣበርክቶ ክኸውን እንከሎ፡ ንኣልያ ሕጻናት ብዝምልከት ግን ነብሲ ወከፍ ስድራ ዓቕማ ብዘፍቅዶ ደቃ ከም እትኣልን ከም እትሕብሕብን ርዱእ እዩ ትብል ዶክተር ኣስያ። ኣክሊሉ ጸጋይ እውን፡ ዝኾነ ወላዲ ነቲ ኣብ ዕቤቱ ዝጎደሎ ነገር ደቁ ክጎድሎም ኣይደልን እዩ። ስለዝኾነ ጓሉን ብዝሓሸ መልክዑ ዝሓሸ ህይወት መታን ክትነብር ዝሓሸ መጻኢ ክህልዋ መሰረት ከትሕዛን፡ ብሞራልን መንፈስን ሓብሒቡ ንመጻኢ ህይወታ ከውሕሰላ ዝኽእል ዓቕሙ ዘፍቅዶ ዘበለ ነገር ክገብር ድሉው ምዃኑ ይዛረብ። ካሕሳይ ምልእተ ኮነት ዶክተር ኣስያ ኩሎም እቲ ኩሉ ጠጥዑሙ ዝበሃል ዓለማዊ ጭርሖ ብግብሪ ክረጋገጽን ክትግበርን ብምጽዋዕ ኣብዛ ኩሉ ወላዲ ኮነ መንእሰይ ብዛዕባ እቶም ዕምበባን መጻእን ዓለምና ሕጻናት ክሓስብን ንጽቡቖም ክሰርሕን ተላብዮም።","category":"ድኽነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50484446"} {"headline":"ኣንጻር ኢቦላ ይቃለስ ዝነበረ ጋዜጠኛ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ተቐቲሉ","content":"ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ፡ ብዛዕባ ቫይረስ ኢቦላ ግንዛበ ዘዕብዩ መደባት የቕርብ ዝነበረ ጋዜጠኛ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ተቐቲሉ። መንነቶም ዘይተፈልጠ ሰባት ንገዝኡ ብምኽባብ ንዕኡ ከም ዝቐተሉን ንበዓልቲ ገዝኡ ከም ዘቑሰልዋን ሰራዊት'ታ ሃገር ኣፍሊጡ። ንመንበሪ ገዝኡ ድማ ኣቃጺሎምዎ ከይዶም። እታ ሃገር ብሕሱም ቫይረስ ኢቦላ ዜጋታታ ትስእን ኣብ ዘላትሉ እዋን፡ ኣብ መኸተ'ቲ ቫይረስ ዝወፈሩ ሰባት ዒላማ መጥቃዕቲ ይኾኑ ምህላዎም ይግለጽ። ጎንጽታት ንኽውላዕ ምኽንያት ይኸውን ዘሎ ድማ፡ \"እቲ ቫይረስ የለን፤ ሓሶት'ዩ\" ዝብል እምነት ገለ ዜጋታት፡ ነቶም ኣብ ምክልኻል ዝወፈሩ ብዓይኒ ጥርጣረ ክረኣዩ ስለዝገብር'ዩ። ቫይረስ ኢቦላ፡ ስራሕን ገንዘብን ንምርካብ ኮነ ኢልካ ብሰብ ሞያ ሕክምና ዝተመሃዘ ሽጣራ ከም ዝኾነ ዝኣምኑ'ውን ኣለዉ። ጋዜጠኛ ፓፒ ሙምበሬ ቅድሚ'ቲ ናብ ሞት ዘሳጥሖ መጥቃዕቲ ኣብ ጉዳይ ኢቦላ ግንዛበ ዘስፍሕ ፕሮግራም ሬድዮ ኣቕሪቡ ነይሩ። ንሱ ብበሊሕ ነገር ተወጊኡ ከም ዝተቐተለ፡ ጃክዊስ ካምዊና ዝተበሃለ ጋዜጠኛ ናይቲ ሙምበሬ ይሰርሓሉ ዝነበረ ጣብያ ሬድዮ ንወኪል ዜና ፈረንሳ (ኤኤፍፒ) ተዛሪቡ። ኣንጻር ኢቦላ ኣብ ዝካየድ ምንቅስቓስ ብደረጃ ሃገር ዘተሓባብሩ ፕሮፌሰር ስቲቭ ኣሁካ፡ ኣብቲ መኸተ ዝነጥፉ ብዙሓት ወለንተኛታት ከም ዝተቐተሉ ንመረዳእታ ሰራዊት'ታ ሃገር ጠቂሱ ይዛረብ።","category":"ድኽነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50285674"} {"headline":"ደቡብ አፍሪቃ ኣብ ኬፕታውን ብጉጅለ ዝፍጸም ገበናት ንምክልኻል ሰራዊት ኣዋፊራ","content":"መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ከተማ ኬፕታውን እናወሰኸ ዝመጽአ ብጉጅለ ዝፍጸም ስርቂ [ተግባር ወረበላታት] ካልኦት ገበናትን ንምቁጽጻር ሰራዊት ምክልኻል ኣዋፊሩ። እቲ ሰራዊት ምስ ፖሊስ ብምትሕብባር ኣብ ምቁጽጻር ዝውውር ዘይሕጋዊ ኣጽዋርን ዕጸ-ፋርስን (ሓሺሽ) ከም ዝሰርሕ ተገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳምን ሰንበትን ጥራሕ ኣብ ከተማ ኬፕታውን 13 ሰባት ብወረበላታት ተቐቲሎም። ኣብታ ከተማ ብዝተወደቡ ጉጅለታት ዝፍጸሙ ገበናት ካብ ቅድሚ 10 ዓመታት ጀሚሩ እናወሰኹ ምምጽኦም ይዝረብ። ኣብዚ ቕነ ድማ እቶም ገበናት ወሲኾም ኣለዉ። ናይዚ ምኽንያት ከኣ ኣብ ሞንጎ'ቶም ጉጅለታት ንዝተፈጥረ ግጭት ብዝውሰድ ዓጸፋዊ ግብረመልሲ እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዙሓት ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ፖሊስን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ናይታ ከተማ ከም ዝተዋፈሩ ተፈሊጡ'ሎ። ሚንስትር ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ብሄኪ ኬሊ \"መንግስቲ ናብ ከምዚ ዝበለ 'ዘይተለመደ' ውሳነ ክበጽሕ ዝተገደደ ድሕነት ህዝቢ ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ስለዘለዎ'ዩ\" ኢሉ። \"ገዛ ንገዛ ንዘውር ኢና። ዘይሕጋውያን ኣጽዋር ድማ እናኣከብና ንርከብ። ብገበን ዝጥርጠሩ'ውን ኣብ ቀይዲ ይኣትዉ ኣለዉ\" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ። እቶም ኣብታ ከተማ ዝተዋፈሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል፡ ካብ ፖሊስ መምርሒ ከም ዝቕበሉ እቲ ሚንስተር ኣረዲኡ። እቲ ሰራዊት ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ሓላፍነት ሒዙ ኣብታ ከተማ ዝተወሃቦ ሓላፍነት ከፈጽም'ዩ። እቲ ዝጸንሓሉ ግዜ ከም ኣድላይነቱ ክናዋሕ ከም ዝኽእል ተሓቢሩ'ሎ። ኣብ ሞንጎ ነበርቲ ዘሎ ኣፈላላይ ደረጃ መነብብሮ እናዓበየ ምምጽኡ ኣብታ ከተማ ዝፍጸሙ ገበናት ንኸውስኹ ከም ዝገበሩ ይግለጽ። ልዕሊ 3.4 ሚልዮን ነበርቲ ዝሓዘት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝዓበየት ከተማ፡ ኣብ ብኣዝዩ ብኽቡር ዋጋ ዝተሃንጹ ገዛውቲ ዝነብሩን፤ ብኣንጻሩ ከኣ ዕለታዊ መግቢ ንምርካብ ዝጽገሙ ዜጋታት ዝነብሩላ'ያ። ስራሕ ዘይብሎምን ድኻታትን መናእሰይ ነቶም ጉጅለታት ስርቂ [ወረበላታት] ከም ገንዘብ መርከቢ ኣማራጺ ይወስድዎም።","category":"ድኽነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48979895"} {"headline":"ብኬሚካል ኢንጂነሪንግ ተመሪቑ ኣብ ምጽራግ ጫማ ዝተዋፈረ ኢትዮጵያዊ","content":"ብኬሚካል ምህንድስና ዝተመረቐ ቸኮለ መንበሩ ብዝተመሃሮ ዓውዲ ስራሕ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ ኣብ ከተማ ባህርዳር ጫማ እናጸረገ ይውዕል። ገና ብቑልዕነቱ ወላዲ ኣቡኡ ብሞት ዝሰኣነ ቸኮለ፡ ኣዲኡ ካልእ ሓዳር ብምምስራታ ምስ ኣቦሓጎታቱ ክነብር ተገዲዱ። ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስኣኸለ፡ ክመሃር ከምዝደልይ ንኣቦሓጉኡ እንተነገሮ'ኳ፡ 'መን ከምህረካ?' ዝብል ተስፋ ዘቕብጽ መልሲ ተወሃቦ። ብድሕሪኡ ናብ እንዳ'ኩኡ ብምኻድ ጥሪት እናጓሰየ ክውዕል ጀመረ። መሓዙቱ ትምህርቲ ውዒሎም ክምለሱ ኣብ ዝርእየሉ እዋን ከኣ መሊሱ \"ከመሃር እደልይ እየ\" ዝብል ሕቶ ከቕርብ ገበሮ። ክመሃር ዕድል እንተዘይሂቦምዎ ገዲፍዎም ከም ዝኸይድ ብምግላጽ ነዚ ሕቶ ኣቕረበሎም። ሕትኡ ተቐቢሎም ድማ ትምህርቲ ኣጀመርዎ። ትምህርቲ ካብ ዝጅምር ድሕሪ ክልተ ዓመት ግን ምስ ቤተሰብ ብዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ካብ ገዛ ክወጽእ ተገዲዱ። ናብ እንዳ'ዲኡ ድማ ተመሊሱ ኣተወ። ናብ እንዳወላዲቱ ክምለስ ከሎ ግን ክረምቲ ጥራይ ኣብቲ ገዛ ከሕልፍ ብዝተበጽሐ ስምምዕ'ዩ። መስከረም ምስኣተወ ድማ ክወጽእ ግድን ነበረ። ዝሕግዞ ሰብ ብዘይምንባሩ ብጻዕሩ ትምህርቱ ክቕጽል ዝተረፎ ኣማራጺ ንሱ ጥራይ ኮይኑ። ሽዑ ሓደ ጫማ እናጸረገ ዝናበር መሓዝኡ ምስኡ ክሰርሕ ሓሳብ ስለዘቕረበሉ፡ ወላዲ ኣቡኡ ዝተኸልዎም ኣእዋም ብ20 ቕርሺ ሸይጡ ብ'ሊስትሮነት' ከስርሕዎ ዝኽእሉ ኣቑሑ ዓደገ። \"ብድሕሪኡ ትምህርተይ ቀጺለ\" ይብል ቸኮለ። ካብ ሳልሳይ ክፍሊ ብምቅጻል ኣብ ትርፊ ሰዓቱ ጫማ እናጸረገ ትምህርቱ ይከታተል ነበረ። \"ትምህርተይ ንክቕጽል ክሕግዘኒ ይኽእል'ዩ ዝበልክዎ እንኮ ኣማራጺ ጫማ ምጽራግ ጥራይ እዩ። ፍርቂ መዓልቲ እናተምሃርኩ ፍርቂ መዓልቲ ይሰራሕ። ናይ ሞባይል ካርዲ [ግዜ ኣየር] እውን ይሸይጥ ነይረ\" ይብል። ኣብቲ ሽዑ እዋን ናብራ ከቢድ ብዘይምንባሩ በተን ጫማ እናጸረገ ዝረኽበን ኣታዊ ናብርኡ ንምምራሕ ይጽገም ከምዘይነበረ ይዛረብ። \"ሰባት የተባብዑኒ ነይሮም። 'በዓል እከለ ከምዚ ከማኻ ሰሪሖም'ዮም ዶክተርን መሃንዲስን ዝኾኑ' እናበሉ ስለዝምዕዱኒ ብዛዕባ መጻኢ ይረኣየኒ ነይሩ\" ክብል ይዝክር። \"እንታይ ክሰርሕ'የ?\" ካብ 3ይ ክሳብ 12 ክፍሊ ጫማ እናጸረገ ትምህርቱ ብምክትታል፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእትው ውጽኢት ኣምጸአ። ናብ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ድማ ኣተወ። \"ህይወት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዝሓሸ ነይሩ\" ዝብል ቸኮለ \" ሓጋዚ ከምዘይብለይ ዘረጋግጽ መረዳእታ ካብ ቀበሌ ኣጽሒፈ ካብ 100 ክሳብ 200 ቅርሺ እናተወሃበኒ፤ ኣብ እዋን ክረምቲ ድማ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ እናሰራሕኹ ክረምቲ የሕልፎ ነይረ። መሓዙተይ'ውን ብዙሕ ወጻእታታት ይሽፍኑለይ ነይሮም\" ክብል ይዛረብ። ናብ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ክኣትው ከሎ ዝመረጾ ክፍሊ ትምህርቲ 'ኣየናይ ቀልጢፈ ስራሕ ክረኽበሉ ይኽእል?' ብዝብል መዐቀኒ እዩ። ሽዑ ኤለክትሪካል ኢንጂነሪንግ ቀዳማይ ምርጭኡ ነይሩ። ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ኬሚካል ኢንጂነሪንግ ስለዝነበረ፡ ብመሰረት ውጽኢቱን ካልኦት መምዘኒታትን ናብ ክፍሊ ትምህርቲ ኬሚካል ምህንድስና ኣተወ። \"ሽዑ ብዛዕባ ኢንዳስትሪ ብዙሕ ዝዝረበሉ እዋን'ዩ ነይሩ። ኣብታ ሃገር 'ብዙሕ መሃንዲስ የድሊ እዩ' ይበሃል ስለዝነበረ ጽቡቕ ዕድል ከም ዝኾነ ብምእማን መሪጸዮ\" ይብል። \"ሓቂ ንምዝራብ ሊስትሮ ይሰርሕ ካብ ዝነበርኩሉ እዋን ጀሚረ ዝሓስቦ ዝነበርኩ 'ተቖጺረ ክሰርሕ እየ' ዝብል ነይሩ\" ክብል ነቲ ዝነበሮ ተስፋ ይገልጽ። ልክዕ ከምቲ ናብ ዩኒቨርሲቲ ክኣትው ከሎ ዝተሓጎሶ፡ እዋን ምረቓ ክበጽሕ ከሎ \"ጭንቀት ወሲኸ\" ዝብል ቸኮለ፡ 'እንታይ ክሰርሕ እየ?' ዝብል ሕቶ ከምዘሕሰቦ ይዛረብ። ቸኮለ ቅድሚኡ ካብ ዝተመረቑ ተምሃሮ እቶም ዝበዝሑ ስራሕ ክረክቡ ከምዘይከኣሉ ምስፈለጠ ስግኣቱ ወሲኹ። ስራሕ ስኢኑ ኮፍ ከይብል ክሓስብ ጀሚሩ። \"መሊሰ ናብታ ይሰርሓ ዝነበርኩ ስራሕ [ምጽራግ ጫማ] ኮፍ ክብል ድየ? ዝሓሰብክዎ ከይተሳኽዐ ክተርፍ? ተመሪቐ ብዘይ ስራሕ ኮፍ ክብል? ዝብሉ ብጣዕሚ የጨንቑኒ ነይሮም\" ይብል። ኣብ 2010 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ክምረቕ ከሎ፡ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ሓንቲ መደቀሲ ክፍሊ ዝነበሩ ተምሃሮ ኣዋጺኦም ሱፍ ከም ዝኸደንዎ ይዛረብ። ብድሕሪ ምረቓ ድማ ኣብ ባህርዳር ክጸንሕ ኣይመረጸን። \"ኣለሻ ስራሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 3 ወርሒ ጸኒሐ። ናብ ኢንዳስትሪታት ፓርክ ብእግረይ እናዘርኩ ስራሕ እንተልይዎም ይሓትት ነይረ። ክሳብ ወልድያ'ውን ከይደ እየ\" ዝብል ቸኮለ፡ ኣብ ሓደ ፋብሪካ ንመዓልቲ 29 ቅርሺ እናተኸፈሎ ስራሕ ጀሚሩ ምንባሩ ይዝክር። እዚ ስራሕ ግን ንመሰረታዊ ድልየታቱ'ኳ ዝመልኣሉ ኣይነበረን። ትሕቲ ቀዳማይ ዲግሪ ረቋሕታት ዝሓቱ ዓይነታት ስራሕ ንምርካብ ዝተመዝገበሎም ቦታታት ነይሮም'ዮም። ብቀበሌ ተወዲቦም ዕድል ስራሕ ካብ ዝረኸቡ መናእሰይ ሓደ ንምዃን ፈቲኑ ክሰምረሉ ኣይከኣለን። እቲ ዕድል ብዕጫ ብምንበሩ ናቱ ስም ካብ ሞንጎ ዕድለኛታት ኣይተረኸበትን። ንኣዋርሕ ዝኣክል ኣለሻ ስራሕ እንተወፈረ'ኳ ሓሳብ ልቡ ክሰምረሉ ኣይከኣለን። እታ ዝተረፈቶ ሓንቲ ኣማራጺት ናብታ ዝነበራ ስራሕ ምምላስ ከም ዝኾነት ተገንዚቡ። \"ኣማራጺ ምስሰኣንኩ ናብታ ዝነበርክዋ ምጽራግ ጫማ ተመሊሰ\" ይብል። ጫማ እናጸረገ'ውን ስራሕ ምእላሹ ኣይገደፈን። ሓንቲ ጫማ ምስጸረገ ናብቲ ናይ ስራሕ ምልክታ ዝጥቀዐሉ ቦታ እናኸደ የርእይ። እቲ ዕድላት ስራሕ ዝጥቀዐሉ ቦርድ ኣብ ጥቕኡ ብምንባሩ ብጽሕ ኢሉ ንምምላስ ብዙሕ ኣይጽገምን። \"እናዞርኩ'ውን ስራሕ ምእላሸይ ኣየቋረጽኩን\" ይብል። ቸኮለ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዝረኸቦ ውጽኢት ዕድል ስራሕ ንኽስእን ምኽንያት ከምዘይኮነ ይኣምን። እኳደኣስ ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ መንግስቲ ገጹ ናብ ፖለቲካ ስለዝመለሰ፣ ዕድላት ስራሕ ምስ ዝምድና ምትእስሳሮምን ቁጽሪ ተመረቕቲ ምስ ብዝሒ ተመረቕቲ ዘይምምጥጣኑን ከም ምኽንያት የቐምጥ። ብኬሚካል ምህንድስና ቀዳማይ ዲግሪ ሒዙ ጫማ እናጸረገ ዝረኣይዎ ሰባት ብዙሕ ርእይቶ ይህብዎ። \"ዝፈልጡኒ መምህራነይ ካባይ ንላዕሊ ይስንብዱ። ምስረኣዩኒ ርእሶም ደፊኦም [ብሓዘን] ይኸዱ። ገሊኦም ከኣ ቀሪቦም 'ኣጆኻ' ኢሎም ቁሩብ ገንዘብ ሂቦምኒ ይኸዱ። መሓዙተይ'ውን ከምኡ\" ይብል። ገሊኦም ሰባት ድማ \"ነዚ ወለዶ ተስፋ ክተቑርጾ ኢኻ\" ከም ዝብልዎ ይዛረብ።","category":"ድኽነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50371521"} {"headline":"ኣብ ከተማ መቐለ ልዕሊ 400 መንበሪ ኣባይቲ ፈሪሶም","content":"ኣብ ከባቢ ከተማ መቐለ፤ ወረዳ እንደርታ ጣብያ ማሕበረ ገነት፡ ልዕሊ 400 መንበሪ ኣባይቲ ብዶዘራት ብሓይሊ ከምዝፈረሰ ተገሊፁ። ነበርቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ምምሕዳር ወረዳ እንደርታ ብፍሉይ ሓይልን ፖሊስን ትግራይ ተዓጂቡ መንበሪ ኣባይቲ ህዝቢ ከምዘፍረሰ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ንቢቢሲ ተዛሪቦም። እዚ ክፍጸም ከሎ ዝተቓወሙን ስእሊ ዝሰኣሉን ገለ ሰባት እውን ከምዝተኣሰሩ ሓቢሮም። ብወገን መንግስቲ ትግራይን ምምሕዳር ወረዳ እንደርታን ግን ብዛዕባ'ዚ ዝተወሃበ ወግዓዊ መግለጺ የለን። እንተኾነ፡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ ህንጸት ዘይሕጋውያን መንበሪ ኣባይቲ ዝውሰድ ስጉምቲ ብዘይምሕረት ከም ዝፈፍጸም ሓቢሮም ነይሮም። ኣብ ውራ መሬትን ህንጸት ዘይሕጋዊ መንበሪ ኣባይትን ዝተዋፈሩ ሰባት ድማ ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ኣጠንቂቖም ነይሮም። ገዛ ካብ ዝፈረሶም ነበርቲ ሓደ ዝኾኑን ስሞም ክግለጽ ዘይደለዩን ነባሪ \"ብዶዘርን ካልእን ኣዕንዮምዎ። ብዙሕ ገዛውቲ ድማ ፈሪሱ\" ክብሉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም። 'ካብ ቅድሚ 20 ዓመት ጀሚሩ ክሳብ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተሰርሑ መንበሪ ገዛውቲ ኩሉ ብሓደ ክፈርስ ከም ዝተገበረ' ድማ ካልእቲ ናይቲ ከባቢ ነባሪት ትገልጽ። \"ብዛዕባ እቲ ጉዳይ መረዳእታ ክሳብ ነቕርብ ግዜ'ውን ኣይተወሃበናን። ክፈርስ ዘይክፈርስን ኣይንፈልጥን ነይርና። ምሸት 'ዶዘር' ሒዞም መጺኦም ኣቑሑት ኣውጽኡ ኢሎምና\" ትብል። ድሕሪ ምፍራስ ኣባይቶም፡ ኣብ እዋን ክረምቲ ናብ ከቢድ ጸገም ተሳጢሖም ከምዘለዉ እቶም ነበርቲ ይዛረቡ። \"ካብ ክልል ኣምሓራ ተፈናቒሎም ዝመጽኡ'ኳ ኣብዚ መሬት ገዚኦም ነይሮም፡ ሕዚ ተመሊሶም ናብ ካልእ ጸገም ኣትዮም ኣለዉ\" ኢላ እታ ስማ ክግለጽ ዘይደለየት ነባሪት። ገሊኦም ኣብ ማእኸል ሜዳ፡ ዳስ ብምስራሕ ኣጽሊሎም ከም ዝርከቡ ድማ ተዛሪባ። ካልእ ነባሪ ድማ፡ 'ምስ ምሉእ ንብረቶምን ጥሪቶምን' ገዛውቶም ዝፈረሶም ከም ዘለዉ ብስልኪ ንቢቢሲ ሓቢሩ። እቶም ነበርቲ ከም ዝብልዎ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ምምሕዳር ወረዳ እንደርታ'ዩ ነዚ ኣባይቲ ናይ ምፍራስ ስጉምቲ ወሲዱ ዘሎ። ኣብቲ ከባቢ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ትሕዝቶ መሬት ድማ ምስ መንግስታዊ ኣካል ይዘራረቡን መረዳእታ ኣቕሪቦም መልሲ ይጽበዩ ኣብ ዝነበሩሉን እዋን ብሃንደበት እቲ ስጉምቲ ከም ዝተወሰደ ይገልጹ። እቶም ነበርቲ ከም ዝብልዎ ናይ ጣብያን ወረዳን ማህተም [ንሶም ከም ዝብልዎ ዋንነት ዘረጋግጽ] ኣብ ኢዶም ሒዞም ከለዉ መንበሪ ገዛ ፈረሶም ነበርቲ ኣለዉ። ናይታ ስጉምቲ ምፍራስ እተወሰዳ ጣብያ ማሕበረ ገነት ኣመሓዳሪ ዝኾኑ ኣይተ ጥዑማይ ፍጹም፡ ኣብ ማሕበራዊ ቤት ፍርዲ ናይታ ጣብያ'ውን ዳኛ ኮይኖም ይሰርሑ'ዮም። ንሶም ነቲ ብቕድሚ ትማሊ ዝተወሰደ ስጉምቲ ኣመልኪቶም \"ካብ 4 ክሳብ 10 ርእሶም ስድራ ዝነብሩሎምን ካብ 1990 ]ኣ.ኢ] ጀሚሮም ዘመሓድርዎን ገዛውቲ ሓዊስካ፡ ልዕሊ 420 ዝኸውን ገዛውቲ ሕጋውን ዘይሕጋውን ዘይፈለኻ ክፈርስ ተገይሩ\" ይብሉ። ብዛዕባ እቲ ምፍራስ ንህዝቢ ዝተወሃበ ቕድመ መጠንቀቕታ ከም ዘይነበረ ዝዛረቡ ኣይተ ጥዑማይ፡ በቲ ተግባር ዝሓረቑ ነበርቲ ናብ ቤት ጽሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብምኻድ ተቓውሞኦም ከም ዘስምዑ ተዛሪቦም። ወሲኾም ድማ \"ናይ 1982 [ኣ.ኢ] መረዳእታ መሬት ዋንነት ዝሓዙ፤ ከምኡ'ውን ብ1992 ብሽግሽግ መሬት ዝረኸብዎ ምዃኖም ዝሕብርን ናይ 1996 ዕድሎት መጠሻ ዘረጋግጽ መረዳትን ምሓዞም ተራእዩ እዩ\" ኢሎም። ንሶም ከም ዝበልዎ እንተኾይኑ፡ ነቲ ተግባር ዝተቓወሙ 18 ሰባት ኣብ ጣብያ ፖሊስ ንኡስ ወረዳ እንደርታ ተኣሲሮም ይርከቡ። ቢቢሲ ነቶም ኣባይቲ ኣፍሪሱ ንዝተበሃለ ምምሕዳር ወረዳ እንደርታ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን። ኣብ ዝኾነ መዓልትን ሰዓትን ድማ ብወገኖም ንዝህብዎ ሓሳብ ንምትእንጋድ ድልዋት ከም ዝኾንና ንሕብር።","category":"ድኽነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49027555"} {"headline":"ስዑድ ዓረብ፡ ሰማዒ ዝሰኣኑ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት","content":"ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን፡ ኣብ ዶባት የመንን ስዑድ ዓረብን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ኣብያተ-ማእሰርቲ ስዑድ ዓረብ፡ ኣብ መጻብቦ ሞት ከምዝርከቡ ምንጭታት ቢቢሲ ገሊጾም። ኣብዘን ኣብያተ-ማእሰርቲ ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ካብ ዝተዳጎኑ ግዳያት፡ ክሳብ ሕዚ ሸውዓተ ሰባት ሞይቶም፤ ካብዚኦም እቲ ሓደ ብኣካላት ፀጥታ ስዑድ ዓረብ ከምዝተቐተለ ይግለፅ። ዝበዝሑ ካብቶም ስደተኛታት፡ ኣብ ሞንጎ ስዑድ ዓረብን የመንን ኣብ ዝርከብ ዶብ፡ ኣብ ራጎን ኣብ ኣልግሃርን ኣብ ሞንጎ ዕጡቓት ሑቲን ስዑድ ዓረብን ብዝነበረ ኲናት፡ ኣብ ሞንጎ ክልተ ዓረር ተቐርቂሮም ዝነበሩ እዮም። ስዑድ ዓረብ፡ ነዞም ኣብ ራጎን ኣልግሃርን ዝነበሩ ስደተኛታት ናብ ግዝኣታ ክኣትዉ ምስፈቐደት፡ ካብ ሞት ወጺኦም ብሂወት ናይ ምንባር ተስፋ እኳ እንተነበሮም፡ ዳሕራይ ኣብተን ዝተጠቕሳ ኣብያተ-ማእሰርትን ካልእን ኣብ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ኩነታት ከምዝርከቡ፡ ካብቶም ስደተኛታት ዝተላእኸልና ተንቀሳቓሲ ምስሊ የርኢ። እቶም ምንጭታት፡ እቶም ግዳያት ብሰንኪ ዓሌቶም ካብ መንግስቶም ሓገዝ ከምዘይረኸቡን፡ ክሳብ ሕዚ ንኣውያቶም ዝምልስ ድምፂ ከምዘይሰምዑን፡ ኣብ ፃዕረ ሞትን ከቢድ ሕማማትን ከም ዝርከቡ ንቢበሲ ገሊፆም። ካብ የመን ኣልግሃር ዝመፅአ ስደተኛ፡ እቶም እሱራት ተዳጒኖምሉ ዝርከቡ ክፍሊ፡ ቤት-ማእሰርቲ እዩ ንምባል ከምዘይከኣልን፡ ኣብቲ ንሱ ዝርከበሉ ክፍሊ ልዕሊ 1000 ሰባት ኣብ ሓደ ተፀፋፂፎም ከምዝርከቡ ሓቢሩ። \"ኣብ ሽቓቕ ኢና ንድቅስ፣ ኣብ ሽቓቕ ንበልዕ፣ ካብ ሽቓቕ ማይ ንሰቲ። እታ ማይ'ውን ኣብ ሳልስቲ ሓንሳብ እያ ትመፅአና። ሕዚ ዝረድኣና ሰብ የለን። እቲ እንነብረሉ ዘለና ቦታ ይትረፍ ክትድቅሰሉ ንምርኣዩ እውን ዘፅልእ እዩ። ኣብ ነብስና ፍታን ይፈሰና ኣሎ\" ብምባል ዘለውዎ ሃለዋት ይገልጽ። ካብ ሞንጎኦም ዝሞቱ ሰባት እኳ እንተለው፡ ዛጊድ ዝረድኦም ከምዘይረኸቡ ሓቢሩ። \"ኣብ ሓደ መዓልቲ ሰለስተ ሰብ ሞይቶምና ሱቕ ኢሎም ተጓሒፎም ኣለዉ። ሕዚ ባዕሉ ሓደ ክመውት ዝቐረበ ሰብ ኣሎ። ንዓና ዝረድእ ሰብ መን ምዃኑ ኣይንፈልጥን፤ መፍትሒ ስኢንና። ነዚ ትሰምዑ በይዛኹም ርድኡና። ካብዚ ሞት ኣውፅኡና\" ብምባል፡ ዝምልከቶን ዝኽእልን ዘበለ፡ ካብቲ ዘለውዎ መንቀራቕሮ ሞት ንከውጽኦም ተማሕጺኑ። ኣብ ካልእ ቤት-ማእሰርቲ ዝርከብ ካልእ ስደተኛ ድማ፡ \"ኣብ ሓደ ገዛ 150 ሰብ ኢና ተኣሲርና ዘለና። ብጥምየትን ብቁማልን ሓሲኽና ኣለና። በጃኹም ህዝቢ ትግራይ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተራድኡና\" ይብል ተስፋ ብዝቐበፀ ኣንደበት፡ ካብቲ ቋሕ ኢልካ ሰማይ ቋሕ ኢልካ ምድሪ ዝኾነ ፀበባ፡ ዘውፅኦም ብምእላሽ። \"መንግስቲ ኢትዮጵያ ስደተኛታት ክቕበል ቅሩብ ኣይኮነን\" ኣመራርሓ ኮምዩኒቲ ኢትዮጵያ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣይተ መሓሪ በላይ፡ ኮረናቫይረስ ምስ ተርኣየ እቶም ምልሻ ናይ ሑቲ ነቶም ስደተኛታት ኣባሪረሞም። ስዑዲ ዓረብ ድማ በራ ከፊታ እኳ እንተእተወቶም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ነቶም ስደተኛታት ንምቕባል ቅሩብ ከምዘይኮነ ገሊፁ። \"ስዑድ ዓረብ፡ ናብ ዓዶም ክትሰዶም መደብ ሒዛ ነይራ። ናትና ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ግና፡ ነቶም ስደተኛታት ንምቕባል ቅሩብነት ስለዘየርኣየ፡ ክሳብ እንዳሎ ኣብኡ ክፀንሑ ኣለዎም ስለዝበለ፡ ኣብዚ ተዓጽዮም ኣለዉ። ልዕሊ 11 ሽሕ ስደተኛታት ኢና ንቕልብ ዘለና\" ኢሉ። ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኣብያተ-ማእሰርቲ ስለዝመልኡ ድማ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ዝኾነ ናይ ወተሃደር መዓስከራት፡ ተደርብዮም ኣብ ኣዐርዩ ሕሱም ዝኾነ ኩነታት ከምዝርከቡ ንቢቢሲ ገሊፁ። \"ከም ኮምዩኒቲ ዝከኣለና ንገብር ኣለና፡ ግና ብኣና ዝፍታሕ ፀገም ኣይኮነን ዘሎ። እቲ ናይ ምግዕዓዝ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ስለዝኾነ ግና፡ ጠጠው ኢልና ኣለና\" ዝብል ኣይተ መሓሪ፡ እቶም ኣብ ኢሚግሬሽን ኣብ ዝርከብ መዳጎኒ ቦታ ዝርከቡ ስደተኛታት ግና ዝያዳ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ሓቢሩ። ከም ኮምዩኒቲ ኢትዮጵያ መዓልታዊ ዜጋታት ስለዝሞቱ፡ ንቆንስላ ከምዘፍለጥዎምን፡ እንተኾነ፡ \"ንሰርሐሉ ኣለና ኢና። ንጉዳያት ወፃኢ ንፅበ ስለዘለና ተፀበዩና\" ዝብል መልሲ ከምዝወሃቦም ብምሕባር፡ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ስዑዲ ዓረብ'ውን፡ ቅዳሕ ደብዳበ ስለዝፀሓፈሎም እቲ ጉዳይ ከምዝፈልጥዎ ይዛረብ። እዞም ስደተኛታት፡ ኣብቲ ፈለማ ስሞም እኳ እንተተመዝገበ፡ ብድሕሪኡ ግና ዝምልከቶም ኣካላት ኣይተመልሱዎምን። በዚ ከኣ ኣስታት 95% ተጋሩ ምዃንና ስለዝተፈለጠ እዩ፡ ሰማዒ ስኢንና ዝብል ስምዒት ከምዘሕደረሎም ይዛረቡ። ኣይተ መሓሪ ግና፡ \"እቶም እሱራት ኣብ ፀገም ስለዘለዉ ብዙሕ ክዛረቡ ይኽእሉ እዮም። ኣብዚ ዘለና ናይ ኮምዩኒቲ ኣመራርሓን ናይ ቆንስላ ተወከልትን ተጋሩ፡ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ እንተዘይኮይኑ፡ ንሰርሕ ኢና ዘለና። ጫማ ንዘይነበሮም ካብ ሕብረተሰብ ኣዋፂእና ክንገዝእ ፈቲንና ኢና። ሳሙናን ማስክን እውን ከምኡ\" ይብል። ኩነታት እቶም ስደተኛታት ብዝምልከት፡ \"ብሙሉኡ ትኽክል እዩ። ግን ድማ ኣማራጺ ኣይተረኸበን፤ ምኽንያቱ እቲ ናብ ዓዲ ክምለሱ ዘይምግባር ሓደ ጉዳይ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ንሕና እውን ንጠርዐሉ ዘለና፡ ኤምባሲ ነዚ ናይዚ ዓዲ መንግስቲ ፅዕንቶ ብምፍጣር፡ ናብ ዝሐሸ ቤት-ማእሰርቲ ክቕየሩ ዝኽእልሉ ዕድል ንክፍጠር ከቢድ ሕቶ ነቕርብ ኣለና\" ብምባል፡ ሓጋዚ ክርከብ ከምዘይተኽኣለ ሓቢሩ። ክሳብ ሕዚ፡ ኣብተን ኣብያተ-ማእሰርቲ ብዘሎ ምፅቕቓጥ ዝተፈጥረ ሕማማት፡ ሽድሽተ ስደተኛታት ሞይቶም ኣለዉ። እቶም እሱራት ምስቲ ዘለዎም ጭንቅን ሕማቕ ኣተሓሕዛን፡ ማዕፆ ሰይሮም ንምህዳም ዝፍትንሉ ኩነታት ከምዘሎ ዝገልፅ ኣይተ መሓሪ፡ ሓደ ድማ ካብ ኣካላት ፀጥታ ብዝተተኮሰ ጥይት ከምዝተቐተለ ይሕብር። \"እዚ በዓልትና እውን ከይድና ዝራእናዮ እዩ። ብሕማም ደረጃ ግና መዓልታዊ እዮም ዝሞቱ፡ ኣብ ናይ ኢምግሬሽን ዘሎ ቤት-ማእሰርቲ ሰሙናዊ ሞት የጋጥም እዩ። ኣንፀርፂሮም ዝሞቱን ዝቕበሩን፡ ብጣዕሚ ብዙሓት ሰባት እዮም\" ኢሉ እቲ ቁፅሪ ካብኡ ንላዕሊ ክዛይድ ከምዝኽእል ብምሕባር። ኣብዚ ጉዳይ፡ ንጉዳያት ቆንስል ኢትዮጵያ ኣብ ስዑድ ዓረብ ንኣይተ ዓብዱ ያሲን ኣዘራሪብናዮ። ይኹን'ምበር እቶም ስደተኛታት ኣብ ዘስካሕክሕ ኩነታት ይርከቡ ዝብል ኣይቕበሎን። \"ብወገንና፡ ኣብ ሰለስቲኡ ቤት-ማአሰርቲ ዝነበሩ ኩሎም ኣብ ጅዳ ናብ ዝርከብ ቤት-ማእሰርቲ ኣግዒዝናዮም ኢና። እንተኾነ ኣብ ሓፈሻዊ ጉዳያት ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጉዳያት ቆንስላ እንተደወልኩም ይሓይሽ\" ብምባል ኣብዚ ጉዳይ፡ ልዕሊ'ዚ ክዛረብ ከምዘይኽእል ሓቢሩ። ስለምንታይ ሱቕታ መንግስቲ ኢትዮጵያ? መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ካብ ስዑድ ዓረብ ኣብ መዓልቲ ክልተ ሰለስተ በረራ ብምክያድ፡ ኣስታት 12 ሽሕ ስደተኛታት ከምዘግዓዘ ኣብ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ፡ ዳይሬክተር ጀነራል ቆንስላዊ ጉዳያት ኣይተ ዮውሃንስ ሾዴ ይገልፅ። ይኹን'ምበር ይብል እቲ ዳይሬክተር፡ \"ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ምስተኣወጀ፡ እቶም ዝተረፉ ኣብ ማእከል መወሸቢ ከምዝጸንሑ ኮይኖም፡ እቶም ሕዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ቤት-ማእሰርቲ ስዑድ ዓረብ ዝርከቡ ግና፡ ኣብቲ እዋን ዘይነበሩን ኣብ ዶብ ስዑድ ዓረብን ኣብ የመንን ኣብ ዱር ዝነበሩን ብደላሎን ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝወፅኡን እዮም\" ብምባል፡ መንግስቲ እታ ሃገር ንጉዳይ እቶም ስደተኛታት ከምዝፈልጦ ኣረጋጊፁ። \"ስዑድ ዓረብ ብሰንኪ እዚ ዓለማዊ ሕማም፡ ሰባት ናብ ሃገራ ከይኣትዉ ዓፅያ እያ ነይራ፤ የመን'ውን ከይትወስዶም ንባዕላ ዓንያ እያ ዘላ። ስለዚ እዞም ሰባት ከይድና እኳ ክንመልሶም ኣብ ዘይንኽእለሉ፡ ኣብ ዘስካሕክሕ ኩነታት ኣብ በረኻ ኣብ ዝነበሩሉ፡ ኣብ በረኻ ሞይቶም ከይውድኡ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ስለዝተዛራረበ እዩ፡ እታ ሃገር ኣስታት 12 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናብ ሃገራ ከምዝኣትው ገይራ\"ኢሉ። \"ኣብ ስዑዲ ዓረብ ምስ ኣተዉ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ናብ ሃገሮም ከምዝምለሱ ብምግላፅ፡ ስም ዝርዝሮም ምስ ወሰድኩም፡ ኣብ ሕማቕ ኩነታት እዮም ዝርከቡ። ብድሕሪኡ ንምንታይ ሱቕታ መሪፅኩም?\" ዝብል ሕቶ ቀሪብሉ። \"መንግስቲ እታ ሃገር ንምንታይ ነቶም ስደተኛታት ግቡእ ኣብ ዘይኮነ ቦታ ኣቕሚጥዎም፡ ንሕና ኣይንፈልጥን። ስዑድ ዓረብ ሉኣላዊት ሃገር ስለዝኾነት እቲ መንግስቲ ኣይቅበልን ናይ ምባል መሰል'ውን ኣለዎ። ቅድሚ ሕዚ ንዝነበሩ ግና ኣብ ውሑስ ቦታ የቐምጦም ከምዝነበረ ኢና ንፈልጥ። ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ኮይኖም ፅቡቕ ሂወት ክነብሩ ኣይኽእሉን\" ኢሉ። መንግስቲ፡ ማእከላት መወሸቢ ብምድላው፡ ናብ ሕብረተሰብ ዝሕወስሉ መገዲ ብምንዳይ፡ ካብ ዝመጽእ ሰሙን ጀሚሩ በብዙር ናብ ሃገሮም ንምግዕዓዝ ቅድመ ምድላው ከምዝገበረ ድማ ንቢበሲ ገሊፁ። \"ካብ ዝቕፅል ሰሙን ጀሚሩ፡ በብተራ ከምዝግዕዙ እዩ ዘለኒ ሓበሬታ። ብዝሖም ኣብዚ ብዘዳለናዮ መጠን መወሸቢ ማእከል እዩ ዝውሰን። ንኣብነት፡ ኣብ ፈላማይ ዙር 200 እንተምፂእና፡ ንሳቶም ን14 መዓልቲ ተወሺቦም ተመርሚሮም ናፃ ምዃኖም ተረጋጊጹ ምስ ወፅኡ ድማ፡ እቶም ዝተረፉ ክነግዕዞም ኢና\" ኢሉ እቲ ዳይሬክተር። ኣይተ ዮውሃንስ ሾዴ፡ ሞት እቶም ሽድሽተ ስደተኛታት ከምዘይፈልጡን፡ እቲ ሓደ ግና ብኣካላት ፀጥታ ከምዝተቐተለ ኣረጋጊፁ። \"ክሃድም ክብል ብጥይት ከምዝተወቕዐ ሓበሬታ በፂሑና እዩ። ኣብ ወፃኢ ሃገር ክሳብ ዘለዉ፡ ሕጊ እታ ሃገር ኣኽቢሮም እዮም ክነብሩ ዝግባእ። እቲ ዝተቐተለ ማዕጾ ሰይሩ ክሃድም ምፍታኑ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንካልኦት'ውን ከነዓዕብ ከምዝፈተነ ሓበሬታ ኣለና\" ብምባል፡ ብዛዕባ እቶም ሞይቶም ዝበሃሉ ካልኦት ሽድሽተ ስደተኛታት ግና ሓበሬታ ከምዘይብሉ ገሊፁ። መንግስቲ ክልል ትግራይ'ከ? ንምዃኑ እዚ ጉዳይ መንግስቲ ክልል ትግራይ ይፈልጦ'ዶ? ምስ ፌደራል መንግስቲ ብምዝርራብ፡ ነዞም ስደተኛታት ካብዚ ሕሱም ኩነታት ንምውፃእ ዝገበሮ ፃዕሪ ይህልው'ዶ? ቢቢሲ ትግርኛ ንቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን እቲ ክልል ሓቲቱ ነይሩ። ምክትል ሓላፊት ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ክልል ትግራይ ወይዘሮ ንግስቲ ወልደሩፋኤል፡ \"እዚ ናይ ክልል ቢሮ እዩ፡ ብዛዕባ ኣብ ደገ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን፡ ብወፃኢ ጉዳያት ኣቢልካ እዩ ዝፍለጥ፤ ንሕና ናብዚ ምስመፅኡ ንገብሮ ክትትል ኣሎ። ኣብኡ ኮይኖም ግና 'ንሕና ክልላዊ መንግስቲ ስለዝኾንና ምስኣቶም ንራኸበሉ መገዲ የለን፡ ምስ መፅኡ ግና ተቐቢልና ናይ ምትእንጋድ ስራሕቲ ናትና እዩ ዝኸውን\" ዝብል ምላሽ ሂባ።","category":"ድኽነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/52944078"} {"headline":"ስሪላንካ ካብ ብሪጣንያ ዝተለኣኸላ \"ሓደገኛ ጓሓፍ\" መሊሳቶ","content":"ስሪላንካ ካብ ብሪጣንያ ዝተልኣኸላ ብኮንቴይነራት ዝተመልአ ጓሓፍ ኣዝዩ ሓደገኛ ነገራት ሒዙሎ ብዝብል ንገሊኡ ናብታ ሃገር መሊሳ ሰዲዳቶ። ሰብመዚ እታ ሃገር ከምዝሓበርዎ ብሓደ ብሕቲ (ውልቀ) ትካል ካብ ዝኣተዉ 263 ኮንተይነራት ገሊኦም ኣዝዮም ሓደገኛታት ዝኾኑ ናይ ሆስፒታላት ናውቲ ተረኺብዎም ኣሎ። እቶም ኮንተይነራት ዳግመ ምምስራሕ ሓሊፎም ናብ ኣገልግሎት ዝምልሱ ከም ፍራሽ፣ መንጸፍን ዝመሳሰሉን ዘገልገሉ ናውቲ ሒዞም ክኣትዉ ትጽቢት ይግበር ነይሩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ እቶም ንጥዕና ሓደገኛ ዝኾኑ ነገራት ከምዝሓዙ ዝተኣመነሎም ክምለሱ ክግብር ከሎ፤ እቶም ዝበዝሑ ኮንቴይነራት ግን ኣብታ ሃገር ክጸንሑ ተወሲኑ'ሎ። ኣብቶም ጓሓፍ ሒዞም ዝኣተዉ ኮንተይነራት ፕላስቲክን ካልኦት ንመዕሸጊ ዝተፈላለዩ ኣቑሑት ዝኾኑ ናይ ላስቲኽ ባህሪ ዘለዎም ነገራትን ተረኺቡ'ዩ። ወሃቢ ቓል በዓል መዚ ጉምሩክ ስሪላንካ፡ እቶም ዝተልኣኹ ኮንቴይነራት ንሕግን ደንብን ሕብረት ኤውሮጳ ዝጠሓሱን ሓላፍነት ዝጎደሎምን ከምዝኾኑ ሓቢሮም። ኤጀንሲ ሓለዋ ከባቢ ብሪጣንያ ብወገኑ ካብ መንግስቲ ስሪላንካ ተወሳኺ ሓበሬታ ክወሃቦ ከምዝሓተተ ብምግላጽ \"እቲ ስሕተት ብኸመይ ክፍጠር ከምዝኸኣለ ምጽራይ ክንጅምር ኢና\" ክብል ኣፍሊጡ። ካብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝለኣኹ ጓሓፋትን ዘገልገሉ ናውትን ካብ ዝቕበላ ሃገራት እተን ዝበዝሓ መሊሰን ናብታ ሃገር ይሰድኦ ከምዘለዋ ይግለጽ። ማሌዥያ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ዘይሕጋውያን ዝበለቶም 42 ኮንቴይነራት ናብ ብሪጣንያ መሊሳ ነይራ።","category":"ድኽነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54316687"} {"headline":"\"ደቀይ ንኽቕልብ ንጸጉሪ ርእሰይ ብ2 ዶላር ሸይጠ\"","content":"ፕሬማ ሴልቫም ንደቃ ንምቕላብ ንጸጉሪ ርእሳ ቆሪጻ ብ2 ዶላር ዝሸጠትላ መዓልቲ ኣብ ህይወታ እታ ዝኸፍአት መዓልቲ'ያ። እታ ኣደ ሰለስተ ቆልዑ ፕሬማ፡ እቲ ብከቢድ ዕዳን ብጭንቐት ኣእምሮ ዝሳቐ ዝነበረ በዓል ቤታ ኣቐዲሙ ብሞት ተፈልዩዋ'ዩ። እንተኾነ ብድሕሪ እውን ተስፋ ኣይቆረጸትን ነይራ። ጸጉሪ ርእሳ ድሕሪ ምሻጣ ግን ንኣለቃሕቲ'ታ ስድራ ክትከፍለሉን ስድራኣ ክትኣልየሉ እትኽእል ዋጋ ዘለዎ ዝተረፋ ነገር ኣይነበራን። ብድሕሪኡ ዘጋጠመ ነገር ግን ኣብ መላእ ህንዲ ንህዝቢ ኣበራቢሩ። ብዕዳ ምሽማም ቅድሚ ሞት በዓል ቤታ፡ ክልቲኦም ኣብ ደቡባዊ ህንዲ ኣብ እትርከብ ግዝኣት ታሚል ናዱ ኣብ ሓደ ፋብሪካ ጡብ እናሰርሑ ነታ ጀማሪት ስድራኦም ይኣልዩ ነይሮም። ንዝሓሸ ናብራ ግን ይትስፈዉ ነይሮም። በዓል ቤታ ናይ ባዕሉ ፋብሪካ ጡብ ንምውናን ገንዘብ ተለቂሑ፡ እቲ ውጥን ግን ኣይተሳኽዐን። ብናይ ኣእምሮ ጭንቀት ድሕሪ ምስቓዩ ድማ ዝሓለፈ ዓመት ነብሱ ቀቲሉ። ብድሕሪ'ዚ፡ ኩሉ'ቲ ጸቕጢ ማእላይ ስድራ ጥራይ ዘይኮነ ምኽፋል ዕዳን ኣብ ፕሬማ ወዲቑ። ንግዚኡ'ኳ ክልተ ንኣሽቱ ደቃ ምስኣ እናስርሐት ነቲ ሽግር ተጻዊራቶ ነይራ። \"ኣብ መዓልቲ 2.8 ዶላር ጥራይ'የ ዝረክብ ነይረ። እዚ ኸኣ ንስድራይ ንምእላይ እኹል ነይሩ\" ኢላ ንቢቢሲ ሓቢራ ፕሬማ። ብድሕሪ'ዚ ግን ሓሚማ ክተሰርሕ ኣይከኣለትን። \"ከቢድ ጽዕነት ጡብ ክስከም ኣይከኣልኩን። ብምኽንያት ዝነበረኒ ረስኒ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ገዛ ክውዕል ጀሚረ\"። ንሰለሰት ወርሒ ዝኣክል ብምሕማማ እቲ ዕዳ እናተኾመረ፡ ኣስቤዛ ገዝኣ ድማ እናተሓንኮኸ ከይዱ። \"ወዲ ሸውዓተ ዓመት ወደይ ካብ ቤት ትምህርቲ መጺኡ ዝብላዕ ክህቦ ሓቲቱኒ\" ኢላ ትዝክር። \"ብድሕሪ'ዚ ብጥሜት ዝኣክል ክበክይ ጀሚሩ\"። ፕሬማ ተሸይጡ ገንዘብ ከምጽእ ዝኽእል ገዛ ይኹን ወርቂ ወይ ናይ ገዛ ኣቑሑት ኣይነበራን። \"ዓሰርተ ሩፒ [14 ሰናቲም ናይ ዶላር ማለት'ዩ]`ውን ኣይነበረንን። ሒደት ናይ ፕላቲክ ሰንኬሎታት ጥራይ ነይረናኒ\"። ብድሕሪ'ዚ ሓደ ክሽየጥ ዝኽእል ነገር ከምዘለዋ ዘኪራ። \"ሓንቲ ጸጉሪ ርእሲ እትገዝእ ድኳን ከምዘላ ትዝ ኢሉኒ\" ትብል ፕሬማ። ህንዲ ሓንቲ ካብ'ተን ብብዝሒ ጸጉሪ ርእሲ ሰደድ ዝገብራ ሃገራት ዓለምና'ያ። ገለ ጽኑዓት ተኸተልቲ ሃይማኖት ሂንዱ ድማ ጸሎተን እንተሰሚሩለን ጸጉሪ ርእሰን ቆሪጸን ንኣብያተ እምነት [ቴምፕል] የወፍያ'የን። \"ኣብኡ ከይደ ኩሉ ጸጉረይ ቆሪጸ ብክልተ ዶላር ሸይጠዮ\"። እቲ ዝረኸበቶ ገንዘብ ምናልባት ኣብ ሓደ ዓቢ ከተማ ምሳሕ ከግዝእ ይኽእል ይኸውን፡ ኣብ ገጠር ናይ ፕሬማ ግን ዝያዳ ከግዝእ ይኽእል። \"ንሰለስቲኦም ደቀይ ዝኸውን ሰለስተ ዕሹግ ብሱል ሩዝ ብ20 ሩፒ ገዚአ\" ትብል ፕሬማ። ንሱ ግን ንግዚኡ ዝኸውን ሩፍታ ጥራይ'ዩ ነይሩ። ኣማራጺ ከምዘብይላ ስለዝተረድአት ግን ካልእ ዝያዳ ስጉምቲ ንምውሳድ ተበጊሳ። ጭንቀት ነብሳ ክትቀትለሉ እትኽእል ነገር ንምንዳይ ናብ ሓደ ድኳን ከይዳ፡ ጭንቀታን ውጥናን ዝተረድአ ወናኒ ድኳን ግን ኣይሸጠልክን'የ በላ። ንገዝኣ ብምምላስ ውጥና ከተተግብረሉ እትኽእል ካልእ መንገዲ ሃሰው በለት። እንተኾነ ግን ኣብ ከባቢኣ እትነብር ሓፍታ ብዕድል ኣብ ጽቡቕ እዋን መጺኣ ካብ ሞት ኣድሒናታ። ድሕሪ ሒደት መዓልታት ድማ እቲ ዘድልያ ዝነበረ ሓገዝ በዚ መጸ ከይተባህለ መጺእዋ። ባላ ሙሩጋን ብመንገዲ ሓደ ፋብሪካ ጡብ ዝውንን ሰብ ኣቢሉ ብዛዕባ ኩነታት ፕሬማ ሰሚዑ። ጸገማ ድማ ነታ ዝጸልመተት ህሞት ናይ ስድርኡ ኣዘኻኺርዎ። ባላ ድኽነት ክሳብ ክንደይ ንሰባት ናብ ጸበባ ከምዘእቱ ኣጸቢቑ ይፈልጥ'ዩ። ንሱ ወዲ 10 ዓመት እንከሎ ስድርኡ መግቢ እለት ዘይብሎም ጥራይ ኢዶም ተሪፎም ነይሮም። ሩዝ ንምግዛእ ኣዲኡ ኣብ ገዛ ንዝነበረ ዝኣረገ መጻሕፍትን ጋዜጣታትን ሸይጣ። ጸኒሓ ድማ ብምሒር ጭንቀት ዝኣክል ነብሳን ደቃን ክትቀትል ወሲና። ኣብ'ታ ናይ መወዳእታ ህሞት ግን ሓሳባ ቀየረት። እቶም ስድራ ድማ ተጓይዮም ናብ ሓኪም ብምውሳድ ኣድሒኖማ። ሕጂ ባላ ካብ'ቲ ዝዓበየሉ ኩነታት ኣዝዩ ዝበለጸ ህይወት ይነብር። ድሕሪ ናይ ዓመታት ቃልሲ፡ ካብ ድኽነት ወጺኡ ወናኒ ናይ ማእከል ኮምፑዩተር ግራፊክስ ክኸውን በቒዑ'ሎ። ባላ ንፕሬማ ብዛዕባ ጉዕዞ ህይወቱ ብምውጋዕ ተስፋ ንኸይትቖርጽ ኣተባብዓ። ምስ ዓርኩ ፕራብሁ ኮይኑ ድማ ንመግዝኢ መግቢ ዝኸውን ገንዘብ ሃባ። ብድሕሪ'ዚ ብዛዕባ'ታ ስድራ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጽሑፍ ለጢፉ። \"ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ 1,670 ዶላር ረኺበ። ብዛዕብኡ ንፕሬማ ምስ ነገርክዋ ብጣዕሚ ተሓጒሳ፡ ንመብዛሕታኡ ዝነበራ ዕዳ ክትከፍል ከምዘኽኣላ ድማ ሓቢራትኒ\" ክብል ባላ ንቢቢሲ ሓቢሩ። እቲ ምውጻእ ገንዘብ ግን ብጠለብ ፕሬማ ክቋረጽ ተገይሩ። \"ናብ ስራሕ ተመሊሰ እቲ ዝተረፈ ዕዳ ክኸፍሎ እኽእል'የ ኢላ\" ኢሉ ባላ። ሕጂ ንወርሒ ኣስታት 10 ዶላር ንዝተፈላለዩ ሰባት ዕዳ ክትከፍል ኣለዋ ማለት'ዩ። ሰብ መዚ ዞባዊ ምምሕዳር ድማ ሓደ ማእከል መከፋፈሊ ጸባ ክትከፍት ክሕግዝዋ ምዃኖም ቃል ኣትዮሙላ። ቀስ ብቐስ ፕሬማ እግሪ ትትከል ኣላ፡ ፊናንሳዊ ኩነታታ ግን ገና ብርቂ ኣይኮነን ዘሎ። ቁጠባዊ ዕቤት ህንዲ ብዘየገድስ፡ ከም ናታ ጸገም ዘለዎም ሚልዮናት ህንዳውያን ዕለታዊ መግቢ የብሎምን። ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ህንዲ ብብዝሒ ሕሉፍ ድኽነት ዘለዎም ህዝቢ፡ ማለት ትሕቲ 1.9 ዶላር ጥራይ መዓልታዊ እቶት ዘለዎም ሰባት፡ ኣብ ዓለምና ካልኣይ ተርታ ሒዛ ትርከብ። ፕሬማ ካልእ መሰናኽል'ውን ኣለዋ፡ ከም ካልኦት ዓሰርተታት ሚልዮናት ህንዳውያን ክትጽሕፍን ከተንብብን ኣይትኽእልን'ያ። ከም ሳዕቤን ናይ'ዚ ድማ መንግስቲ ንኸምኣ ዝኣመሰሉ ጽጉማት ብዛዕባ ዝልግሶ ሓገዛት ኣፍልጦ የብላን። ሕግታት ናይ'ቶም ወግዓውያን ባንክታት'ታ ሃገር'ውን ሕልኽላኽ ዝበዝሖም'ዮም፡ በዚ ምኽንያት ድማ ድኻታት ሕብረተሰባት ብትሑት ወለድ ለቓሕ ንክረኽቡ ይሽገሩ። በዚ ምኽንያት ድማ'ዩ ፕሬማን በዓል ቤታን ካብ ጎረባብቶም ኣለቃሕቲ ብልዑል ወለድ ተለቂሖም ኣብ ዘይወጽዎ ዕዳ ተሸሚሞም። ሕጂ ግን፡ ምስጋና ንልግስነት ሕብረተሰባ ይብጸሓዮም፡ ፕሬማ ካብ'ቲ ተሸሚማትሉ ዝነበረት ዓንኬል ድኽነት ተናጊፋ'ላ። እዚ ከምዚ'ሉ ኣንከሎ፡ ባላ ሙሩጋን ሓገዙ ነታ ስድራ ቀጻሊ ምዃኑ ኣረጋጊጹላ'ሎ። \"ስጉምቲ ነብሰ-ቕትለት ጌጋ ምንባሩ ሕጂ ተረዲኡኒ\" ኢላ ፕሬማ። \"እቲ ተሪፉኒ ዘሎ ዕዳ ክከፍሎ ከምዝኽእል ርግጸኛ`የ\" ድማ ትብል።","category":"ድኽነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51602726"} {"headline":"ኣፍሪቃዊት ሃገረ ኢኳቶሪያል ጒኒ ንቻይና 2 ሚልዮን ዶላር ኣወፍያ","content":"ፕረዚደንት ኢኳቶሪያል ጒኒ፡ ቲዮዶሮ ኣቢያንግ ንጉየማ፡ ሃገሩ ነቲ ኣብ ቻይና ተላቢዑ ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቅላስ ዝውዕል 2 ሚልዮን ዶላር ንቻይና ከም እትህብ ኣፍሊጡ። እታ ኣብ ዓለም ካልኣይቲ ዝዓበየ ቁጠባ ዘለዋ ሃገር ዝኾነት ቻይና፡ ቁጠባኣ 13 ትሪልዮን ደላር ዝግመት ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ኢኳቶሪያል ጒኒ ግን፡ 13 ቢልዮን ይግመት። እቲ ኣብ ቻይና ተላቢዑ ዘሎ ለበዳ ቫይረስ ዛጊት፡ 636 ሰባት ክቐትል እንከሎ ብዓሰርታት ዝቑጸሩ ካልኦት በቲ ሕማም ተለኺፎም ኣለዉ። እቲ ቫይረስ ካብ ቻይና ወጻኢ፡ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዓለም'ውን ተራእዩ'ሎ። ኢኳቶሪያል ጒኒን ቻይናን ጥቡቕ ዝምድና ከም ዘለወን ይንገር። እቲ ብሰሉስ ብካቢነ ሚኒስተራት ዝተወስደ ውሳነ፡ እታ ሃገር ንቻይና ዘለዋ \"ደገፍን ምሕዝነትን\" ንምርግጋጽ ዝዓለመ ምዃኑ ተገሊጹ። ዋላ'ኳ፡ ኢኳቶሪያል ጒኒ፡ ብነዳዲ ሃብታማት ካብ ዝኾና ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ መበል ሳልሳይ ትስራዕ እንተኾነት፡ ልዕሊ ፍርቂ ህዝባ ግን ኣብ ዓዘቕቲ ድኽነት ዝነብር ምዃኑ ይግለጽ። እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝነውሐ እዋን ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ቲዮዶሮ ኦቢያንግ ንጎየማ ወዱን ብምጥፍፋእ ናይቲ ካብ ነዳዲ ዝተረኽበ ኣታዊ ክኽሰሱ ጸኒሖም'ዮም። ክልቲኦም ግና ነቲ ክሲ ይነጽግዎ።","category":"ድኽነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51416960"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ 60 ሚልዮን ሰባት ኣብ 'ሕሱም ድኽነት' ክወድቁ ይኽእሉ","content":"ፕረዚደንት ባንኪ ዓለም፡ ኣስታት 60 ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ናብ 'ሕሱም ድኽነት' ክወድቁ ከም ዝኽእሉ ኣጠንቂቑ። ዴቪድ ማለፓስ ከምዝበሎ፡ ኣብዚ ዓመት እዚ፡ ቁጠባዊ ዕብየት ዓለምና ብ 5 ሚኢታዊት ክንኪ ትጽቢት ኣሎ። እዚ ድማ፡ ቁጠባ ሃገራት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ይህሰ ብምህላዉ እዩ። ብሰንኪ እቲ ሕማም፡ ድሮ'ኳ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ስርሖም ሲኢኖም፡ ንግድታቶም ከሲሮም እዮም። ሃስያ ናይቲ ጸገም ድማ፡ ዝያዳ ኣብ ልዕሊ ድኻታት ሃገራት እዩ ዝብርትዕ። \"መነባብሮ ሚልዮናት ሰባት ዓንዩ እዩ። ስርዓት ጥዕና ድማ ብደረጃ ዓለም ኣብ ጸገም እዩ ዘሎ\" ኢሉ። \"ብናትና ግምት፡ ኣስታት 60 ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት ናብ ሕሱም ድኽነት ክወድቁ እዮም - እዚ ድማ ኣብቲ ዝሓለፈ 3 ዓመታት ድኽነት ኣብ ምጥፋእ ንዝተረኸቡ ምዕባለታት ዝድምስስ እዩ\" ክብል ፕረዚደንት ባንኪ ዓለም ተዛሪቡ። ባንኪ ዓለም 'ሕሱም ድኽነት' ዝብሎ፡ ሓደ ሰብ ብትሕቲ 1.90 ዶላር መዓልታዊ እቶት፡ መነባብሮኡ ክመርሕ እንተሎ እዩ። ኣብ ዋሽንግተን ዝመደብሩ ባንኪ ዓለም፡ ድኻታት ሃገራት ካብዚ ቅልውላው ክወጽኣ ንምሕጋዝ 160 ቢልዮን ዶላር ብመልክዕ ሓገዝን፡ ትሑት ወለድ ዘለዎ ልቓሕን ክህብ እዩ። ፕረዚደንት ናይቲ ባንኪ ከም ዝበሎ፡ ኣስታት 79 ምኢታዊት ህዝቢ ዓለምና ዝነብረለን 100 ሃገራት ድሮ ገንዘባዊ ሓገዝ ረኺበን ኣለዋ። \"ባንኪ ዓለም ዋላ'ኳ ነዚ ብዙሕ መጠን ዘለዎ ሃብቲ እንተቕረበ፡ እኹል ኣይኮነን\" ኢሉ ዴቪድ ማልፓስ። ኣብዚ እዋን ድኻታት ሃገራት ዕደአን ንምኽፋል ስለ ዝጽገማ፡ ናይ ሩፍታ እዋን ሃቡወን ተባሂሎም ዝተሓተቱ ንመኽሰብ ኢሎም ዘለቅሑ ትካላት ዕጥይጥይ ምባሎም፡ ዘሕርቕ ከም ዝኾነ'ውን ንገሊጹ እዩ።","category":"ድኽነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52723097"} {"headline":"ኣብ ደገ ዝሸኑ ዝነበሩ ክልተ ህጻናት ህንዲ ዝቐተሉ ሰባት ተታሒዞም","content":"ኣብ ማእከላይ ህንዲ ኣብ ደገ ዝሸኑ ዝነበሩ ህጻናት ዝቐተሉ ክልተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ምውዓሎም ፖሊስ ሓቢሩ። ወዲ 12 ራሽኒን ቆልዓ 10 ዓመት ኣቪናሰን ትማሊ ረቡዕ ኣብ መገዲ ኮፍ ኢሎም ደገ ይወጽኡ ኣብ ዝነበሩሉ'ዮም ተቐቲሎም። ግዳያት፡ ኣብ ገዛ ሽቓቕ ስለዘይብሎም ደገ ክኸዱ ከም ዝኸኣሉ ስድርኦም ንቢቢሲ ህንዲ ሓቢሮም። ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ድኻ ህንዳውያን ኣብ ገዝኦም ሽቓቕ ብዘይምህላዉ ደገ ከይዶም ይጥቀሙ። እዚ ከኣ ብፍላይ ደቂኣንስትዮን ህጻናትን ንሓደጋ ይቃልዑ። እቶም ህጻናት 'ዳልቲስ' ካብ ዝበሃል ኣዝዩ ድኻ ማሕበረሰብ ኮይኖም በቶም ኣብ ዝሓሸ ቁጠባዊ ዓቕሚ ዝነብሩ ህንዳውያን ዝለዓለ ምግላልን ምጽያፍን ይበጽሖም። አዛዚ ፖሊስ ራጀሽ ቻንደል \"እቶም ህጻናት ብበትሪ ተቐጥቂጦም'ዮም ተቐቲሎም። ተጠርጠርቲ ድማ ብገበን ቅትለት ተኸሲሶም ምጽራይ ይካየድ ኣሎ\" ኢሉ። ክልቲኦም ህጻናት ኣዝማድ ኮይኖም፡ ስድራ ኣቪናሽ ንሮሽኒ ምስ ወዶም ከዕብይዎ ከም ዘምጽእዎ ተገሊጹ። ኣቡኡ ንኣቪናሽ፡ መዓልታዊ ናይ ጉልበት ሰራሕተኛ ብምዃኑ፡ ኣብ ገዝኡ ሽቓቕ ንምህናጽ ዓቕሚ ከም ዘይብሉ ተዛሪቡ። 'ሚሽን ስዋች ብሃራት' ወይ ድማ ፕሮግራም ጽርይቲ ህንዲ፡ ቀረብ ሽቓቕ (ዓይነ ምድሪ) ክውስኽ ብምግባርን ሓለዋ ጽርየት ብምጥንኻርን፡ ደገ ከም ሽቓቕ ናይ ምጥቃም ልምዲ ንምንካይ እናሰርሐ እዩ። ቀዳማይ ሚንስትር ናሬንድራ ሞዲ ኣብ 2014 ነዚ ፕሮግራም ብወግዒ ከጀምር ከሎ፡ ክሳብ 2 ትቅምቲ 2019 ካብ \"ኣብ ደገ ምሻን ነጻ ዝኾነት\" ህንዲ ንምፍጣር ዓላማ ብምግባር'ዩ ነይሩ።","category":"ድኽነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49838398"} {"headline":"ካብ ኮሮናቫይረስ ንላዕሊ ብግፍዒ ፖሊስ ዝሳቐያ ዘለዋ ሻውላት ናይሮቢ","content":"ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ፡ ናይሮቢ ብቁጠባ ዝደኸዩ ዜጋታት ዝነብሩላ ማታሬ ልዕሊ ፍርቂ ምልዮን ህዝቢ ይነብሩላ። እዞም ሕብረተሰብ ካብ ኮሮናቫይረስ ንላዕሊ ማህረምቲ ፖሊስ ኣሻቒልዎም'ሎ።","category":"ድኽነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53052473"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 3 ሽሕ ጎደና ተመሓደርቲ ናብ ሓደ መጽለሊ ኣትዮም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ፡ ልዕሊ 3000 ግዳም ሓደርቲ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ኣብ ዝርከብ ማእኸል ኣትዮም ሓገዝ ክረኽቡ ይግበር ከምዘሎ ተገሊጹ። እቶም ካብ ኣዲስ ኣበባን ከተማ ሃዋሳን ዝተኣከቡ ጎደና ተመሓደርቲ (ግዳም ሓደርቲ) ኣብ ሃዋሳ ኣብ ዝርከብ ኤልሻዳይ ማእኸል መጽለሊ እዮም ኣትዮም ዘለዉ። ነቶም ንዝተፈላለዩ ጸገማት ዝተሳጥሑ ወገናት ብምሕጋዝ ካብ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝዓለመ ምዃኑ፡ እቲ ስራሕ ዘበገሰ ትካል ገባሪ ሰናይ ኤልሻዳይ ሪሊፍ ኤንድ ዴሎፕመንት ንቢቢሲ ገሊጹ። ኣብቲ መጽለሊ፡ ምግቢ፣ ክዳን ሕክምናን ክረኽቡ ምዃኖም ተገሊጹ። ከምኡ ድማ፡ ህይወቶም ናብ ዝሐሸ መንገዲ ክመርሕሉ ዝሕግዞም ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ከምዝወሃቦም፡ ሓላፊ ርክባት ሚድያ እቲ ገባሪ ሰናይ ኣይተ ገብረገርግስ ንጉሰ ሓቢሩ። ቢሮ ጉዳያት ማሕበራዊ ሰራሕተኛታት፡ ከተማ ኣዲስ አባባ፣ ምምሕዳር ከተማ ሃዋሳ ከምኡ'ውን ሚኒስትር ጉዳያት መናእሰይን ህጻናትን ነቲ ወፍሪ ዝደገፉ መዳርግቲ ኣካላት ምዃኖም ኣይተ ገብረገርግስ ወሲኹ ሓቢሩ። ኣብ ወርሒ ግንቦት ፡ ልዕሊ 10 ሽሕ ኣብ ተመሳሳሊ ህይወት ዘለዉ ወገናት ናብቲ መጽለሊ ንክኣትዉ ጻዕርታት ይግበር ከምዘሎ እቲ ሓላፊ ሚድያ ተዛሪቡ። ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ከተማታት ኢትዮጵያ፡ ብዓሰርተ ኣሸሓት ዝቑጸሩ ግዳም ሓደርቲ ከምዘለዉ ይዝረብ።","category":"ድኽነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/52528853"} {"headline":"ኣብ ኤርትራ ሕጽረት ሃለኽትን ጥሜትን የጋጥም ምህላው ተፈሊጡ","content":"ኣብ ኤርትራ፡ ብሰንኪ ዕጽዋ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ መሰረታዊ ቀረብ ሃለኽቲ ተሳኢኑ፡ እቲ ዝርካቡ ንብረት ክብሪ ስለዝወሰኸ ጥሜት የንጸላሉ ምህላው ምንጭታትና ሓቢሮም። ብፍላይ ኣብ መታሕት ኤርትራ፡ ኣብ ከባቢ ጋሽ ባርካ እቲ ኩነታት ዝበኣሰ ምዃኑን፡ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ሃይኮታ ኣብ ዝርከባ ቑሸታት ብሰንኪ ጥሜት ሕጻናትን ቖልዑን ይሞቱ ከምዘለውን ምንጭታትና ሓቢሮም። እቲ ሕጽረታት ዳርጋ ኣብ ኩለን ከተማታት ኤርትራ ከምዘሎን፡ እቲ ብሽሕ ናቕፋ ዝርከብ ዝነበረ መሸላ ወዲ ዓከር ሕጂ ናብ ክልተ ሽሕ ከም ዝደየበን ብእኡ እውን ከምዘይርከብን ዝገለጹ ምንጭታትና፡ እተን ኣብ ፈለማ ማይ ዝዕድላ ዝነበራ ቦጣት እውን ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ኣገልግሎት ስለዝነከያ፡ ኣብዚ ኮቪድ ንምክልኻል ጽሬት ዝድለየሉ እዋን ስድራ-ቤታት ይጣርዓ ምህላወን ተፈሊጡ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ነዚ ንምዕቡላት ሃገራት ከይተረፈ ዘጫነቐ ሓደገኛ ቫይረስ ኮቪድ-19፡ ብዘይካ ዶባትካን ቤትካን ዓጺኻ ምምካቱ ካልእ ምርጫ የሎን ስለዝበለ፡ ሰባት መግቢ ንክገዝኡን ብኣዝዩ ኣገዳሲ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ካብ ቤቶም ንከይወጽኡ ተነጊሩዎም ትእዛዝ ኣኽቢሮም ተዓጽዮም እዮም ዘሕልፉዎ ዘለው። እቶም ብዱካናት ሕድሪ፡ (መንግስቲ ብድጎማ ንህዝቢ ከም መቑነን ዝሸጣ ዱኳናት) ከም መሸላን ዘይትን፡ ሽኮርን ቀጠፍን ዝኣመሰለ ሃለኽቲ ዝገዝኡ ዝነበሩ ተቐማጦ ኣስመራ፡ ሕጂ ግን ሕጽረት ስለዘጋጠ ተሸጊሮም ምህላዎም ንቢቢሲ ሓቢሮም። ቀደሙ እውን ኣስመራ ንነዊሕ እዋን ብሕጽረት ማይን መብራህትን ክትሽገር ምጽንሓ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ሰባት ብቐረባ መግቢ ክሽምትሉ ዝኽእሉ ዶባት ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ስለዝተዓጽወ ሕጽረት ሃለኽትን ክብርን ርኡይ ኮይኑ ኣሎ። ብቐደሙ እውን እቲ ሕብረተሰብ ኮነ እቲ መንግስቲ ሓያል ቁጠባ ስለዘይጸንሖ፡ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ሓገዝን ኣታውን ንኣስታት ሰለስተ ወርሒ ኣብ ገዛ ተዓጽዩ ኮቪድ ዝፈጠሮ ጸቕጢ ክጻወር ዓቕሚ ከምዘይብሉ እቶም ምንጭታት ይገልጹ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ውሽጥን ግዳምን ዝነብሩ ዜጋታት ንመኸተ ኮቪድ ገንዘብ የዋጽኡ ምህላዎም ብማዕከናት ዜና ሃገር ክንገር ስለእንሰምዕ ሓደ መዓልትስ መንግስቲ ሓገዝ ይህበና ግዲ ይኸውን ዝብል ትጽቢት ከምዘለዎም እውን ተዛሪቦም። ብኻልእ ሸነኽ ከኣ ካልኦት ሰባት ‘ስለምንታይ እዩ መንግስቲ መዓላ እቲ ዝግበር ዘሎ ወፈያን ሓገዝን ንህዝቢ ዘይሕብር ዝብል ቅሬታ ከምዘለዎም ምንጭታትና ኣረዲኦም። ናይ ሓዋላ ብዝምልከት ንስድራ-ቤቶም ንምሕጋዝ ካብ ወጻኢ ብመገዲ ዌስተርን ዩኔን ገንዝብ ዝሰደዱ ሰባት፡ እተን ኣብ ኤርትራ ዝርከባ ናይ ሓዋላ ትካላት ነቶም ስድራ ቤታት ደዊሎም፡ ገንዘብ መጺኡ ምህላዉ፡ እንተኾነ ገና ምንቅስቓስ ስለዘይተፈቕደ መገዲ ምስተኸፍተ ገንዘቦም ክወስዱ ከምዝኽእሉ ጥራሕ ስለ ዝሕብሩዎም፡ ስድራታት ዕለታዊ ሃለኽቲ ንምግዛእ ተሸጊሮም ምህላዎም ሓቢሮም። ኣብዚ እዋን እዚ ብዘይካ እቲ መንግስቲ ዘፍቀደሉ፡ ወይ ናይ መንግስቲ ምሉእ ፍቓድ ከምዘለዎ ዝእመነሉ ትካላት ሸርፊ ጥራሕ እንተዘይኮይኑ ብኻልእ መገዲ ንኤርትራ ገንዘብ ምስዳድ ከምዘይከኣል ምንጭታትን ይገልጹ፡ ንሱ እውን እንተኾነ ብግቡእ ይሰርሕ ብዘይምህላው ሰባት የማርሩ ኣለው። ምምሕዳራት ናይ ገሊኡ ንኡስ ዞባታት፡ ነብሲ ወከፍ ገባራይ፡ ብኮሮና ንዝተሃስዩ ወገናት ዝኸውን እንተወሓደ ሓሐደ ርብዒት እኽሊ የዋጽኡ ምህላዎም ምንጭታትና ሓቢሮም። ይኹን እምበር ይብሉ እቶም ምንጭታት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ህጡር ክራማት ስለዝነበረ ዓቕሚ ረኺቡ ዝሓረሰ፡ ርቡሕ እቶት ስለዝሓፈሰ፡ ብዙሕ ጸገም የብሉን። እንተኾነ እቲ ዝበዝሐ መሬት ዓድታት፡ ዝሓርሱን ዝኹስኩሱን ደቁ ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለዝኸዱ፡ ኣይ ካብ ዝናም ክረምቲ ካብ ግራውቲ፡ ኣይ ብመስኖ ካብ ዝሰቲ ጀራዲን ሓዲግ ዝተረፈ ውሑድ ስለዘይኮነ ሕጂ ኣብ ጸገም ወዲቖም ምህላዎም ይዛረቡ። ብፍላይ እቶም ሰለስተ ኣርባዕተ ወሊዶም ክንሶም ገና ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተጸሚዶም ዘለው መንእሰያት ሕጂ ኣብዛ እዋን ተዓጾ-ተዓጾ ምሒር ተሸጊሮም ኣለው። ሕሉፍ ሓሊፎም፡ ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ምስ ተኸፍተ፡ ቸመንቶን ቴንዲንን ምስ ሓሰረ ኣብ ጤሳ ዓዶም ገዝኦም ክድኩኑ ሓሲቦም ቸመንቶ ገዚኦም ሒዞምዎ ዝጸንሑ፡ ሕጂ ንቐለብ ስለዝተሸገሩ ዝዕድገሎም ሃሰውሰው ይብሉ ከምዘለው እውን እቶም ምንጭታት ይሕብሩ። ኤርትራ ብስግኣት ኮቪድ ዶባታ ካብ እትዓጹን ዜጋታታ ኣኣብ ቤቶም ካብ ዝውሸቡን ዳርጋ ሳልሳይ ወርሒ ቀሪቡ ኣሎ። ነብሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ገዛኻ ተዓጾ ምስ ተባህለ፡ ብዘይካ’ቲ ብሕርሻ ዝነባበር፡ ኣብ ርሑቕ ገጠራት መታሕትን ከበሳን ዝነብር እንተዘይኮይኑ፡ ብፍላይ እቲ ኣብ ከተማታት ዝቕመጥ፡ ካብ ገዝኡ ከይወጽእ ጽኑዕ መምርሒ’ዩ ተዋሂብዎ፡ ይትግብሮ ከኣ ኣሎ። ኣብ ከተማታት ኣብ ሓለዋ ዝተዋፈሩ ወተሃደራት ንምንቅስቓስ ሰባት ብጽኑዕ ከምዝቆጻጸሩን ነቶም ፍቓድን ዘእምን ምኽንያትን ዘይብሎም ከምዝመልሱዎም የረድኡ። ከምቲ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ኮቪድ ንምክልኻል ዝወሰደኦ ዕጽዋ፡ ፕሪዚደንት ኢሳይያስ እውን ብዘይካ “ምርጋጥ” ካልእ ምርጫ የሎን ክብል፡ እቲ ቐንዲ መከላኸሊ ዕጽዋን ምውሻብን ምዃኑ ሓቢሩ እዩ። እንተኾነ ምስ ምንዋሕ ግዜ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰለት ድኻ ሃገር፡ ድኻ ህዝቢ እቲ ዕጽዋን ምርጋጥን ከቢድ ቁጠባዊ ሃስያ እዩ ዘኸትል።ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ኮቪድ ኤርትራ፡ ጸጸኒሑ እምበር ብቐጻልን ብስሩዕን ሓበሬታ ስለዘይህብ ሰባት ሻቕሎትን ስክፍታን ከምዘለዎም ይዛረቡ። መንግስቲ ኣብ ምጅማር እቲ ዕጽዋ ብሚድያን ኣብ ትዮታታት ብዝተተኽለ ማይክሮፎን እቲ ክግበር ዝግበኦ መሰረታዊ ምኽሪ ምክልኻል ኮቪድ ይሕብሩ እኳ እንተነበሩ፡ ዳሕራይ ግን ምስ ምንዋሕ ግዜ እቲ ሰብ እንዳሰልቸዎ ከምዝመጽ ምንጭታትና ይገልጹ። ተመኩሮ ዝተፈላለየ ሃገራት ከምዘረጋግጾ፡ ብፍጥረቱ፡ ሓቢሩን ተሓባቢሩን ዝነብር ወዲ ሰብ፡ ኣኣብ ቤቱ ምስ ዝዕጾ ክሻቐልን ዓቕሉ ክጸቦን ግድን እዩ። ግን ከኣ እቲ ሓደን ቀንድን መከላኸሊ ኮሮናቫይረስ ምውሻብን ምዕጻውን ካብ ኮነ ሰባት ንኣስታት ሰለስተ ወርሒ ኣብ ቤቶም ተዓጽዮም የሕልፍዎ ኣለው። ግን ከኣ ብዘይ ዋጋ ኣይኮነን። ድሮ እኳ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ጥሜትን ስእነት መሰረታዊ ሃለኽቲ ኣቑሑ ኣጋጢሙ ኣሎ። ካብ ስራሕን ዕለታዊ ንጥፈታትን ተኣሊኻ፡ ካብ እኹልን እዋናውን ሓበሬታ ርሒቕካ፡ እኹል መሰረታዊ ቀረብ ማይን መግብን ዘይብልካ፡ ነቲ ዝርካቡ ኣከናዊንካ ንጽባሕ እናማዕደኻ ምንባር ቀሊል ኣይኮነን ይብሉ ምንጭታት ቢቢሲ።","category":"ድኽነት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53165656"} {"headline":"ማይክል ጆርዳን ንዓሌታዊ ማዕርነት ዝኸውን 100 ሚልዮን ዶላር ክህብ'ዩ","content":"ማይከል ጆርዳን፡ ንዓሌታዊ ማዕርነትን ማሕበራዊ ፍሕትን ንዝቃለሱ ማሕበራት ዝውዕል 100 ሚልዮን ዶላር ክልግስ ምዃኑ ገሊጹ። እዚ ውሩይ ተጻዋታይ ኩዕሶ ሰኪዔት ኣሜሪካ ዝነበረ ማይክል ጆርዳን፡ ንሱን ትካል ቅዲ ጆርዳንን ነቲ ገንዘብ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ክኸፍልዎ ምዃኖም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። እቲ ገንዘብ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ \"ሰሪጹ ዘሎ ዓሌታውነት\" ንምቕላስ ንብርክት ዝበሉ ትካላት ከምዝወሃብ ሓቢሩ። እዚ ናይ ገንዘብ ወፈያ፡ እቲ ወዲ 46 ዓመት ጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ፡ ድረክ ቹቫን ብዝተብሃለ ጻዕዳ ኣባል ፖሊስ ምቕታሉ ስዒቡ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ድረክ ቹቫን፡ ንጆርጅ ፍሎይድ፡ ምስትንፋስ ስኢኑ ክዛረብን ክጻዓርን ብምግባር እዩ፡ ኣብ ክሳዱ ብብርኩ ረጊጹ ቀቲልዎ። ጆርጅ ፍሎይድ፡ ብ25 ግንቦት እዩ፡ ኣብ ትሕቲ እግሪ ፖሊስ ሂወቱ ሓሊፉ። ማይክል ጆርዳን፡ ዝሓለፈ ሰሙን፡ በቲ ፍጸመ፡ \"ኣዝየ ጉህየ፤ ብሓቂ ተቐንዚየ ከምኡ'ውን ተቘጢዐን'' ክብል ጽሒፉ ነይሩ። \"ናይ ኩለኹም ቃንዛ፣ ነድሪ ከምኡ'ውን ቁጥዐ እስመዓንን እረኣየንን\" ድሕሪ ምባል፡ \"ምስዞም ኣብ ሕብረተሰብና ሰሪጹ ንዘሎ ዓሌታውነትን ዓመጽን ዝቃለሱ ደው እብል\" ኢሉ። ጆርዳን \"ኣኺሉ ተሪፉና'' ክብል ነቲ ኣብ ልዕሊ ፀለምቲ ዝፍፀም ብድዐ ኮኒኑ።","category":"ኩዕሶ መርበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52946685"} {"headline":"ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ካርቱም ብኣልማማ ይግፈፉ ከምዘለው ተገሊጹ","content":"ኣብ ሱዳን ብፍላይ ከኣ ኣብ ካርቱም ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ብሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ብቐጻሊ እናተገፉ ይእሰሩን ዘይተኣደነ ገንዘብ ክኸፍሉ ይግደዱን ከም ዘለው፡ ምንጭታት ካብ ካርቱም ንቢቢሲ ሓቢሮም። ን14 ዓመታት ኣብ ካርቱም ክነብር ዝጸንሐ ንድሕነቱ ከማል* ብዝብል ስም ክጽዋዕ ዝመረጸ ኤርትራዊ፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ተርእዮ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ምስ ህሉው ኵነታት ሱዳን ተኣሳሲሩ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወርድ ዘሎ “ግፍዒ” ምዃኑ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ። ኣባላት ጸጥታ እታ ከተማ ንሰባት ብኣልማማ እናኣስሩ፡ ካብ 400-500 ዶላር ኣሜሪካ ከፊሎም ንኽወጽኡ የገድዱዎም ከምዘለው ምንጭታትና ሓቢሮም። ብሰንኪ’ዚ ከኣ እቲ ብቐደሙ እውን ከቢድን መሪርን ናብራ ሱዳን መመሊሱ ይኸፍእ ከምዘሎ ገሊጾም። እዚ ካብ ንኣሽቱ ነቝጣታት ብዝዋፈሩ ኣባላት ጸጥታ ዝግበር ንገንዘብን መኽሰብን ዝዓለመ ከምዝዀነ ካብቶም ግዳያት ይዛረቡ። በቲ ኵነታት ዘማረረ ከማል፡ ገንዘብ ከፊልካ እውን ከምዝኸፈልካ ዘረድእ ዝዀነ ይዅን ቅብሊት ከምዘይህቡ፡ ንሰባት ገገፊፎም ብምእሳር ገንዘብ ኣኽፊሎም ከምዝሰዱዎም ሓቢሩ። ብተወሳኺ፡ እቲ ኵነታት እናኸፍአ ምስ ከደ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ምስ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ጸጥታ ሱዳን ተዘራሪቡ ነቲ ጉዳይ መግትኢ ክግበረሉ ከምዝተሓተተ፡ እንተዀነ ሰበስልጣን፡ መንግስቲ ብዛዕባ እቲ ዝግበር ዘሎ ኣፍልጦ ከም ዘይብሉን፡ ብናይ ከባቢ ፖሊስ፡ ኣብ ታሕተዋይ ጽፍሒ ዝግበር ናይ በለጽ ተግባር ምዃኑ ከምዝተሓበሮም የረድእ። ኤርትራውያን “ዋላ እውን ተጻጊሞም ገንዘብ ክኸፍሉ ይኽእሉ እዮም” ዝብል ኣረኣእያ ስለዝማዕበሉ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ንገንዝብን ረብሓን ዝዓለመ ግፋን ማእሰርትን ዝውቱር ምዃኑ ከማል የረድእ። ካልእ ንኣስታት 20 ዓመት ኣብ ካርቱም ከባቢ ጅሬፍ ዝነብር ኣለም ዑቕባይ ዝተባህለ ኤርትራዊ ብወገኑ፡ ኣብ ሱዳን ወቕቲ እናሓለኻ ኣብ  ልዕሊ ስደተኛታት ዝግበር ግፋን ማእሰርትን ልሙድ ምዃኑ፡ ይዅን እምበር ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ነቶም መንበሪ ወረቐት (ኢቓማ) ዘይብሎም ኤርትራውያን ዘተኮረ ምንባሩ ብምሕባር፡ ኣብዚ እዋን እዚ ግን ቍጠባዊ መነባብሮ ስለዝኸበደ ኣባላት ጸጥታ እታ ሃገር ንስልጣኖም ምንጪ ገንዘብን ረብሓን ይጥቀምሉ ከምዘለው ይሕብር። ዳርጋ እቶም ዝበዝሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሃገር ብዘይ ፍቓድ ስለዝስደዱ ናብ ኤምባሲ ከይዶም ሓገዝ ክሓቱ ከምዝጽገሙ ዝሓበረ ኣለም፡ እቶም ንረብሓን ገንዘብን ዝዋፈሩ ሓይልታት፡ ኤርትራዊ ካልእ ኣማራጺ ከምዘይብሉ ስለዝፈልጡ ነቶም ዜጋታት ስደቶም ከይኣኽሎም ከምዘሸግሩዎም የረድእ። ተመሳሳሊ ርድኢት ዘለዎ ከማል ብወገኑ፡ ንኢትዮጲያውን እውን ከምዝሕዙዎም ግን፡ ‘ኣይንኸፍልን ኢና እንተደሊኹም ንዓድና ስደዱና’  ስለዝብልዎም ድሕሪ ቝሩብ ከምዘውጽኡዎም ወይ ናብ ዓዶም ከምዝመልሱዎም ይሕብር። ዝበዝሕ እቲ ኤርትራዊ ግን ካብ ዓዱ ብዘይ ፍቓድ ስለዝወጽእ እንተተመሊሱ ጸገማት ከጋጥሞ ከምዝኽእል ስለዝርዳእ ዝተባህሎ ስለዝኸፍል ነቶም ኣባላት ጸጥታ ምንጪ እቶትን ረብሓን ከምዝዀኖም ይገልጽ። እቶም ኣባላት ጸጥታ ነቶም ስደተኛታት ንስኻትኩም ኣብ መዓስከራት እምበር ኣብ ከተማታት ክትነብሩ ኣይፍቀደኩምን እዩ ብምባል ከምዝኣስሩዎም ዝሓበረ ከማል፡ ናብራ መዓስከራት ከኣ ከቢድ ብምዃኑ እቶም ስደተኛታት ተለቂሖም ተመርቂሖም ኣብ ስደት ዝነብሩ ቤተሰብን ኣዕሩኽን እናሸገሩ ነቲ ዝሕተቱዎ ገንዘብ ከይፈተው ከምዝኸፍሉ፤ ነቶም ፈጺሞም ክኸፍሉ ዘይክእሉ ሰባት ክሳብ ዝከኣሎም ከምዘሰራጥዩዎም እምበር ሒዞም ናብ መዓስከራት ከምዘይመልሱዎም ጠቒሱ. “እቲ ምኽንያት፡ መርከቢ ገንዘብ እዩ፣ ዋጋ ዕዳጋ ኢኻ ከኣ ትገብር፡” ይብል። ክልተ ኣሕዋቱ ኣብ ሱዳን ዘለውዎ ኣብ ስዊድን ዝነብር መብራህቱ ክፍሎም፡ \"ወርሒ መጸት ብፖሊስ ተታሒዝና ሓግዙና ዝብል ርድኡና ጥራሕ ኢና ንሰምዕ፡ ኤርትራዊ ኣብ ሱዳን ዳርጋ ክሪብቶ ካረንሲ ተቐይሩ\" ብምባል በቲ ዘውጽኦ ገንዘን ብዙሕ የማርር። ኣብዚ እዋን’ዚ ሱዳን ብሰንኪ ፖለቲካዊ ምትፍናንን ቀጻሊ ማሕበረ-ቍጠባዊ ቅልውላውን ዋሕዲ ቀረብ መሰረታዊ ሃለኽትን ሓያል ብድሆታት ከምዘጋጠማ ዝገልጽ ኣቶ ኣለም፡ ዜጋታት ኮነ ስደተኛታት ናብራ ከቢድዎም ብቐጻሊ የማርሩ ከምዘለው ይሕብር። ከም ሳዕቤኑ ከም ዓሶ፡ ሸሮኽ፡ ረስኒ ደንጊ፡ ቺኩንጉንያ ዝኣመሰሉ በብዓመቱ ዝኸሰቱ ሕማማት ኣብ ጥዕና ከቢድ ቅልውላው የስዕብ ከምዘሎ ዩኤንኤችሲኣር ይሕብር። ብተወሳኺ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብቶም ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ሰብኣዊ ሓገዛት ዘድልዮም 14.3 ሚልዮን ሰባት፡ ኣስታት 2.9 ሚልዮን ብሰንኪ ኵናትን ደርቅን ዕልቕልቕን ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ዝተመዛበሉ ሱዳናውያን፡ ኣስታት 900,000 ተመለስቲ ሱዳናውያን፡ ኣስታት 1.2 ሚልዮን ዝዀኑ ከኣ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዑቕባ ዝሓተቱ ስደተኛታት ከምዝዀኑ ይገልጽ። ይዅን እምበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣካል ናይቲ ገዚፍ ተጸባይ ረድኤት ክነሶም ግዳይ ሓይልታት ጸጥታ ይዀኑ ምህላዎም ኣቶ ኣለም የረድእ። ኣቶ ከማል፡ እዚ ተግባር እዚ ክቃላዕን ዝምልከቶም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ሱዳን ግቡእ ፍታሕ ክገብሩሉ ከምዝግባእን የተሓሳስብ። ኣብዚ እቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ ቀጻሊ ተቓውሞታት ስለዘጋጥሞ ርጉእ ፖለቲካዊ ቁመና ከምዘይብሉ ይግለጽ። “ኤምባሲ ኤርትራ ‘ውን ከይተሓለለ፡ ንመሰላት’ቲ ዝከላበት ዘሎ ኤርትራዊ፡ ፖለቲካዊ መኽሰብ ከይደለየ ክጠባቐሉ ግቡእን ሓላፍነቱን እዩ፡” ይብል። ኣብ ሱዳን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያንን ኢትጵዮያውንን ስደተኛታት ተዓቚቦም ይርከቡ። ኣብ ምብራቕ ሱዳን ጥራይ፡ ኣስታት 113 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዝርከቡ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ። ካብ'ዚኦም ድማ ልዕሊ 83 ሽሕ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ይርከቡ። ዝተረፉ 30 ሽሕ ድማ ኣብ ከተማታት ሱዳን ሰፊሮም ይነብሩ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cx0ql59eny9o"} {"headline":"ሰራዊት ሱዳን ሲቪላዊ መንግስቲ ንምምላስ ሓድሽ ሰነድ ስምምዕ ኣውጺኡ","content":"ወተሃደራዊ መራሕቲ ሱዳን፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝቕጽል ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ደው ንምባል ዘኽእል፡ ስልጣን ንሲቪላውያን ጉጅለታት ንምርካብ ዘኽእል ቈራጽ ስጕምቲ ተሰማሚዖም። በዚ መሰረት፡ ንኽልተ ዓመት ዝቕጽል፡ ብሲቪላውያን መራሕቲ ዝመሓደር መሰጋገሪ እዋን ዝምልከት ሰነድ ስምምዕ ኣብ ካርቱም ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ብወግዒ ተቓሊዑ። እንተዀነ እቶም ስሩዕ ተቓውሞታት ጐደና ከካይዱ ዝጸንሑ ደገፍቲ ዲሞክራሲን ተቓወምቲ እቲ ወተሃደራዊ ምሕደራን ዝዀኑ ሰልፈኛታት ግን፡ ነዚ ነጺጐምዎ ኣለዉ። ሱዳን፡ ኣብ 2019 ሰራዊት እታ ሃገር ነቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝነበረ ዑመር ኣልበሽር ድሕሪ ምዕላዉ፡ ኣብ ዓዘቕቲ ቅልውላው ተሸሚማ እያ ጸኒሓ። ኣብ 2019 ድሕሪ ዝተኻየደ ዕልዋ፡ ንወተሃደራውን ሲቪላውን መራሕቲ ብዝወከሉ ዝቘመ፡ ‘ሓይልታት ሓርነትን ለውጥን’ ዝብል ጥምረት ሓባራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ተሰማሚዖም። እቲ ብቐንዱ ዘይጠዓዓም ዝነበረ ሕብረት፡ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት፡ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ነቲ ንሲቪላውያን ወኪሉ ዝነበረ ናይቲ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ካብ ስልጣኑ ምስ ገለፎ ኣብቂዑ። ዓብደላ ሓምዶክ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ናብ ስልጣኑ ተመሊሱ’ኳ እንተነበረ፡ እቲ ምስቶም ወተሃደራውያን መራሕቲ ዝገበሮ ስምምዕ ምቕርሐ ስልጣን ሰፊሕ ተቓውሞታት ምስ ገጠሞ ብፍቓዱ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ። ትማሊ ሰኑይ፡ ወተሃደራዊ ጀነራላትን ሲቪላውያን መራሕቲን ነዚ ሓድሽ ስምምዕ ድሕሪ ምፍርራሞም፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ካርቱም ጽንብል ተኻይዱ። ወተሃደራዊ መራሒ ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ስምዒት ህዝቢ ንምቕስቃስ፡ \"ወተሃደር መዓስከር ጥራይ እዩ ዝምልከቶ!\" ዝብል ፍሉጥ ህዝባዊ ሰውራዊ ጭርሖ ደጋጊሙ። እዚ ይዅን እምበር፡ ብዙሓት ደገፍቲ ዲሞክራሲ ዝዀኑ ሰልፈኛታት - መብዛሕትኦም መንእሰያት ደቂኣንስትዮን ደቂተባዕትዮን - ነቲ ስምምዕ ዝቃወም ሰልፍታት፡ ኣብ ጐደናታት ከካይዱ ተራእዮም። ኣህጕራዊ ናእዳ ዝረኸበ ሱዳናዊ ሰራሕ-ፊልም ሓጁጅ ኩካ፡ ተቓውሞ ንምምራሕ ኣብ ዝዳለወሉ ዝነበረ እዋን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ \"ምትእምማን ተበቲኹ እዩ፤ ሰራዊት ሕጂ'ውን ደጊሙ ክጥሕሶ [ነዚ ስምምዕ] ይኽእል'ዩ\" ክብል ተዛሪቡ። \"እቲ ዝዓበየ ጸገም፡ እቶም ኣውራ መራሕቲ ዕልዋ መንግስቲ - ኣልቡርሃንን፡ ምክትሉ ሕሜቲን- ኣብ ስልጣን ምህላዎም እዩ። ሰባት ተቐቲሎም፡ ቈሲሎም፡ ተኣሲሮም፡ ብዘይ ተሓታትነት ድማ ይቕጽሉ ኣለዉ።\" እዚ ናይ ትማሊ ስምምዕ፡ ዋላ'ኳ ገና ዝርዝር ሓበሬታ እንተዘይብሉን፡ ብዛዕባኡ ገለ ዕቃበታት’ውን እንተሃለወ፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ከም ሓደ ፈላሚ እወታዊ ስጕምቲ'ዩ ዝርአ። ብዘይካ’ቲ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሕ ሲቪላዊ መሰጋገሪ ምምሕዳር፡ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ንሕርያ ጕጅለ ምክልኻልን ጸጥታን ንሲቪላዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ክህብ’ውን ወሲኑ’ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር መን ከም ዝኸውን ግን ዛጊት ኣይተፈልጠን ዘሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብሓይልታት ጸጥታ ንዝተቐትሉ ዓሰርተታት ሰልፈኛታት ጸረ-ዕልዋ፡ ፍትሒ ምርካብ ዝምልከትን ካልኦትን ገና መዓልቦ ዘድልዮም ወሰንቲ ጉዳያት ኣለዉ። እቶም ንወተሃደራዊ ሓይሊ ዝድግፉ ዝነበሩ ዕጡቓት ጕጅለታት’ውን ተዋሲኖም ስለዘለዉ፡ እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ንኸብቅዕ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2020 ምስ መንግስቲ ዝፈረምዎ ስምምዕ ብጽቡቕ እንተዘይተታሒዙ፡ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ይኽእል እዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ ውሳነታት መንግስቲ፡ ሕጂ’ውን ላዕለዋይ ስልጣኑ ዝሕሉ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ጽልዋኡ ተጠቒሙ ንሲቪላውያን መራሕቲ ቅሳነት ክኸልእን መስርሕ ምስግጋር ናብ ዲሞክራሲ ክዓናቕፍን ከም ዝኽእል፡ ብዙሓት ስክፍታኦም የስምዑ ኣለዉ። ፖለቲካውን ወተሃደራውን መራሕቲ ግን፡ እቶም ጉዳያት ኣብ ቀጻሊ ምዝርራብ ክፍትሑ እዮም፡ ይብሉ። ኣፈኛ ሓይልታት ሓርነትን ለውጥን ኣልዋዚቕ ኣልበሪር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ዕላማታት ናይቲ ስምምዕ፡ ምሉእ ብምሉእ ሲቪላዊ ምሕደራ ምምስራት፡ ናጻ ፖለቲካ ሃዋህው ምፍጣርን ሰፊሕ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ዘለዎ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ምብጻሕ’ዩ” ኢሉ። ዛጊት እቲ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ወይ መዓስ ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል ግን ገደብ ግዜ ኣይተቐመጠን። ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሃገራት ዓረብን ምዕራባውያን መንግስታትን ክልቲኦም ወገናት ንኽላዘቡ ጸቕጢ ክገብር ዝጸንሐ ሰፊሕ ኣህጉራዊ ጥምረት እዩ። ኣሜሪካን ሕቡራት ሃገራትን ነቲ ስምምዕ ብሓጐስ ተቐቢሎምዎ ኣለዋ። ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ፡ እዚ ስምምዕ \"ኣገዳሲ ቀዳማይ ስጕምቲ\" ክብል ገሊጽዎ። ኣብ መንጐ እቲ ኣህጉራዊ መልእኽቲ ዮሃናን፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ፕረዚደንት ዘሎ ጽንብልን ኣብ ጐደናታት ዘሎ ስምዒታትን ግን ዝተፈራረቐ ሃዋሁ እዩ ዘለዎ። ሱዳን፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ’ዚ ንምጅማር ‘ቲ ንፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ዝዓለወ ሰውራ ክትዝክር እያ። ንኣርባዕተ ዓመታት ከኣ፡ ነቲ ካብ ናጽነታ ኣትሒዙ ካብ መብዛሕትኡ እዋን ታሪኻ ዘምለጠ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝጽውዕ ሰፊሕ ህዝባዊ ተቓውሞታት ብቐጻሊ ይካየድ ኣሎ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cn0jzx8d41lo"} {"headline":"ደቡብ ሱዳን 'ዘይሕጋውያን' ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ክትሰጉግ'ያ","content":"ሰብመዚ ኢሚግሬሽን ደቡብ ሱዳን፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም መበቆሎም ካብ ልዕሊ 20 ሃገራት ዝኾኑ ስደተኛታት ከምዝሰጉግ ገሊጹ። ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ጁባ ምስበጽሑ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ እዞም ስደተኛታት ብዘይ ፓስፖርት ይኹን ናይ መገሻ ሰነድ ናብታ ሃገር ከምዝኣተዉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን። እቶም ስደተኛታት ካብ ርእሰ ከተማ ሱዳን ካርቱም ናብ ደቡብ ሱዳን ዕቝባ ንምርካብ ዝመጹ እዮም። ኣብ ሰሜናዊ ደቡብ ሱዳን ካብ ዝርከባ ከተማታት ቤንቲዩን ፓሎችን ብናይ ውሽጢ ሃገር በረራታት ናብ ጁባ ከምተጓዓዙ ሓደ በዓል ስልጣን ኢሚግሬሽን ተዛሪቡ። ኣብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሓላፊ ኢሚግሬሽን ሌተናል ጀነራል ኣተም ማሮል ቢያር ናብ ዝመጹሉ ቦታ ከም ዝጥረዙ'ውን ገሊጹ'ሎ። ናይ መገሻ ሰነድ ይኹን ምስ ዝኾነ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝንቀሳቐስ ትካል ርክብ ስለዘይብሎም ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ እቲ ሌተናል ጀነራል ወሲኹ ገሊጹ። ናይ’ቲ ከባቢ ጋዜጣ 'ዘ ዳውን'፡ “ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ሰነድ ዘይብሎም ሰባት ምቕባል ክንቅጽል ኣይንኽእልን። ናይ መገሻ ሰነድ ዘይሓዙሉ ምኽንያት እንታይ ከምዝኾነ ስለዘይንፈልጥ፡ ንሃገርና ኣብ ሓደጋ ከእትዋ ይኽእል’ዩ” ክብል ነቲ ጀነራል ብምጥቃስ ጸብጺቡ። እቶም ስደተኛታት፡ ክሳብ ዝጥረዙ ንወጻእተኛታት ኣብዝተዳለወ፡ ኣብ ጁባ ዝርከብ ፍሉይ ማእከል ስደተኛታት ኮሎሎ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጾም ኣለዉ። እታ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገረ ደቡብ ሱዳን ክንግዱ ናይ ዝመጹ ብዙሓት ስደተኛታት መዕረፊት እያ። ብሰንኪ እቶም ብቐሊሉ ዝስገሩ ዶባታ ግን ዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ክትቆጻጸሮ ተጸጊማ ትርከብ። ኣብ ጁባ ዝነብር ሓደ ኢትዮጵያዊ ብፍሉይ ንሳውዝ ሱዳን ፖስት ዝተባህለ ማዕከንእ ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ገለ ካብቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ካብ ሃገሮም ሃዲሞም ዝመጹ ስለዝኾኑ ምብራሮም ንድሕነቶም ዓቢ ስግኣት ከምዝኾነ ይሕብር። እቲ ንድሕነቱ ሰጊኡ መንነቱ ክግለጽ ዘይደለየ ኢትዮጵያዊ፡ “ኣብ ቀረባ ግዜ ካብ ኢትዮጵያ ሃዲሞም መጺኦም፡ ተመሊሶም ናብኡ እንተተሰጒጎም ክእሰሩ፣ ወይ’ውን ክቕተሉ ይኽእሉ እዮም” ከምዝበለ ሳውዝሱዳን ፖስት ኣብ መርበቡ ገሊጹ። ኤርትራውያን ስደተኛታት እውን ተመሳሳሊ ስግኣት ክህልዎም ከምዝኽእል ይግመት። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፡ ኣብ ሱዳን ብፍላይ ከኣ ኣብ ካርቱም ዝነብሩ ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን፡ ብሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ብቐጻሊ እናተገፉ ይእሰሩን ዘይተኣደነ ገንዘብ ክኸፍሉ ይግደዱን ከም ዘለው፡ ምንጭታት ካብ ካርቱም ንቢቢሲ ሓቢሮም ምንባሮም ይዝከር። ኣብቲ እዋን፡ እቶም ካብ ሃገሮም ብዘይ ፍቓድ ዝስደዱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤምባሲ ከይዶም ሓገዝ ክሓቱ ከምዝጽገሙ፡ ንኣስታት 20 ዓመት ኣብ ካርቱም ዝነብር ኣለም ዑቕባይ ዝተባህለ ኤርትራዊ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ። ኣባላት ጸጥታ እታ ከተማ ንሰባት ብኣልማማ እናኣስሩ፡ ካብ 400-500 ዶላር ኣሜሪካ ከፊሎም ንኽወጽኡ የገድዱዎም ከምዘለው ካልኦት ምንጭታት'ውን ቢቢሲ ገሊጾም እዮም። ዝበዝሕ ስደተኛ ካብ ዓዱ ብዘይ ፍቓድ ስለዝወጽእ እንተተመሊሱ ጸገማት ከጋጥሞ ከምዝኽእል ስለዝርዳእ ዝተባህሎ ክኸፍል ከምዝግደድ ጸብጻባት ይገልጹ። እቲ ኵነታት እናኸፍአ ምስ ከደ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ምስ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ጸጥታ ሱዳን ተዘራሪቡ ነቲ ጉዳይ መግትኢ ክግበረሉ ሓተቱ ነይሩ። እንተዀነ መንግስቲ ሱዳን ብዛዕባ እቲ ዝግበር ዘሎ ኣፍልጦ ከም ዘይብሉን፡ ብናይ ከባቢ ፖሊስ፡ ኣብ ታሕተዋይ ጽፍሒ ዝግበር ናይ በለጽ ተግባር ምዃኑ ከምዝተሓበሮም፡ ኤምባሲ ኤርትራ ሓቢሩ ነይሩ። ብካልእ መዳይ፡ ዞባዊ ወሃቢት ቃል ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ፈይዝ ካሲና፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ ዘዕቈብሎም መዓስክራት ስደተኛታት ሱዳን በዲዶ ህበይ ከም ዝተረኸበ ኣረጋጊጻ ነይራ። “ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መዓስክር ስደተኛታት ምብራቕ ሱዳን በዲዶ ህበይ ብምእታዉ ኣዝዩ ተሻቒሉ ይርከብ” ዝበለት እታ ወሃቢ ቃል፡ እቶም በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ግቡእ ሕክምናዊ ድጋፍን ናብዮት ይግበረሎም ከም ዘሎን፡ ናይ ምፍላይ ስጕምቲ ከም ዝተወስደን ወሲኻ’ውን አመልኪታ እያ። ኣብ ሱዳን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያንን ኢትጵዮያውንን ስደተኛታት ተዓቚቦም ይርከቡ። ኣብ ምብራቕ ሱዳን ጥራይ፡ ኣስታት 113 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዝርከቡ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ። ካብ'ዚኦም ድማ ልዕሊ 83 ሽሕ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ይርከቡ። ዝተረፉ 30 ሽሕ ድማ ኣብ ከተማታት ሱዳን ሰፊሮም ይነብሩ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cg3l6wedeeqo"} {"headline":"ሱዳን፡ ብዛዕባ'ታ 'ብክሊ ኣየራ ኣትያ ተሃሪማ' ዝተባህለት ነፋሪት ዝተነግረ ክእረም ንኣምባሳደር ኢትዮጵያ ሓቲታ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ብሱዳን ኣቢላ ክሊ ኣየር እታ ሃገር ጥሒሳ ኣትያ ዝበላ ነፋሪት ሃሪሙ ከም ዘውደቐ ድሕሪ ምግላጹ ዝዝከር ኰይኑ፡ ነዚ ስዒቡ ሱዳን ኣብ ካርቱም ዝርከብ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ጸዊዓ መብርሂ ክወሃባ ሓቲታ። ኣዛዚ ሰራዊት ሜጀር ጀነራል ተስፋዬ ኣያሌው ከምኡ’ውን ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሌተናል ጀነራል ይልማ መርዳሳ፡ ኣንቶኖቭ 26 ዝዓይነታ ነፋሪት ብሸነኽ ሱዳን ክሊ ኣየር ኢትዮጵያ ጥሒሳ ኣትያ ኢሎም ነይሮም። ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ድማ፡ እታ ሱዳን ሰጊራ ክሊ ኣየር ኢትዮጵያ ጥሒሳ ዝኣተወት ነፋሪት ተሃሪማ ከም ዝወደቐት ኣመልኪቱ ብ23 ነሓሰ 2014 [ግእዝ] መግለጺ ከም ዝሃበ ማዕከን ዜና ሱዳን ንሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ሃገሩ ጠቒሳ ጸብጺባ። ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ፡ እቲ ኣምባሳደር መግለጺ ምሃቡ ዘየሐጐሶ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፡ ነቲ ኣምባሳደር ጸዊዑ ከም ዘዘራረቦን፡ እቲ ዝሃቦ መግለጺ ግጉይ ምዃኑ ክዛረብ ሓቲቱ። ዳይረክተር ጉዳያት ኣፍሪቃ ሱዳን ጀነራል ኣምባሳደር ፋድል ዓብዱላህ ፋድል፡ እቲ ኣምባሳደር ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ንሱዳን ከም ዘየሐጐሳ ተዛሪቡ ክብል ሱና ጸብጺቡ። ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ እታ ስርሓት ሶቭየት ዝዀነት ኣንቶኖቭ 26 ዝዓይነታ ነፋሪት ብ17 ነሓሰ 2014 ምሸት ሰዓት ኣርባዕተ ብሸነክ ሱዳን ክሊ ኣየር ኢትዮጵያ ጥሒሳ ክትኣቱ ክትብል ተሃሪማ ወዲቓ ምባሉ ይዝከር። እታ ነፋሪት፡ ንሓይልታት ትግራይ ኣጽዋር ከተቕርብ ዝኸደት’ያ ክብል’ውን ሜጀር ጀነራል ተስፋዬ ኣያሌው ተዛሪቡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ዋና እታ ነፋሪት ብወግዒ'ኳ እንተዘይገለጸ፡ “ንህወሓት ዝድግፉ ዘለው ታሪኻውያን ጸላእትና ምዃኖም ይእመን” ኢሉ። ሰብ መዚ ኢትዮጵያ እዛ ነፋሪት፡ ተሃሪማ ወዲቓ ምባሎም፡ ሓይልታት ትግራይን ሱዳንን ሓሶት’ዩ ክብሉ ነጺጐምዎ’ዮም። ኣምባሳደር ይበልጣል ኣእምሮ፡ ኣብቲ ንማዕከናት ዜና ሱዳን ሂብዎ ዝተባህለ መግለጺ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ሱዳን ዝሰገረት ኣጽዋር ጽዒና ናብ ሓይልታት ትግራይ ንምብጻሕ ትኸይድ ዝነበረት ነፋሪት ሃሪሙ ከም ዝበለ ሱና ይገልጽ። ኣምባሳደር ፋድል፡ እቲ ኣምባሳደር ዝሃቦ ቃል፡ “መሰረት ዘይብሉ” ስለ ዝዀነ ክልተኣዊ ርክበን ክሕይል ኣብ ዝደልያ ሃገራት ኣሉታዊ ጽልዋ ዘሕድር እዩ ኢሉ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c804p97x91go"} {"headline":"ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ ዘዕቈቡሎም መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን በዲዶ ህበይ ተረኺቡ","content":"ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ምብራቕ ሱዳን በዲዶ ህበይ [ሞንኪ ፖክስ] ከም ዝተረኽበ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ዞባዊ ወሃቢት ቃል ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት [UNHCR]፡ ፈይዝ ካሲና፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ኤርትራውያንና ኢትዮጵያውያን ኣብ ዘዕቈብሎም መዓስክራት ስደተኛታት ሱዳን በዲዶ ህበይ ከም ዝተረኸበ ኣረጋጊጻ። ንሳ ሎሚ ዓርቢ ብኢመይል ኣብ ዝሃበትና ምላሽ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ግዝኣት ከሰላ ኤርትራውያን ዝርከብዎ መዓስክር ስደተኛታት ሸገራብ፡ ካልኦት ሰለስተ ሰባት ድማ ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎ ቱናይደባህ ዝተባህለ መዓስክር ስደተኛታት በቲ ሕማም ተለኺፎም ተረኺቦም። ኣብ ግዝኣት ገዳርፍ ሱዳን ዝርከብ መዓስከር ቱናይድባህ ድማ፡ ምስ ኲናት ትግራይ ብዝዛመድ ካብ ምዕራብ ትግራይ ህይወቶም ንምድሓን ዝተሰደዱ ተጋሩ ካብ ጥሪ 2021 ጀሚሩ ኣዕቒቦም ዝርከብሉ እዩ። ኣብቲ መዓስከር፡ ኣስታት 23 ሽሕ ስደተኛታት ኣዕቍቦም ከም ዝርከቡ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተረኸበ መረዳእታ ይሕብር። “ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መዓስክር ስደተኛታት ምብራቕ ሱዳን በዲዶ ህበይ ብምእታዉ ኣዝዩ ተሻቒሉ ይርከብ” ኢላ። እቶም በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ግቡእ ሕክምናዊ ድጋፍን ናብዮት ይግበረሎም ከም ዘሎን፡ ናይ ምፍላይ ስጕምቲ ከም ዝተወስደን ወሲኻ ገለጻ። ሚኒስትር ጥዕና ሱዳንን ውድብ ጥዕና ዓለምን፡ እቲ ሕማም ናብ ካልኦት ሰባት ከይላባዕ ንዘርአይዎ ተገዳስነት ድማ ኣመስጊነና። ክልቲኦም ትካላት፡ እቲ ሕማም ንምቍጽጻርን ናብ ካልኦት ከባቢታት ከይዛመት ንምዕጋትን ሓቢሮም ይሰርሑ ከም ዘለዉ'ውን ወሲኻ ሓቢራ። ካልኦት ዝተለኽፉ ሰባት እንተለዉ ንምፍላጥ’ውን ቀጻሊ መርመራታት ይካየድ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ። \"ገለ በቲ ለበዳ ዝተጠርጠሩ ንበይኖም ተወሺቦም ክጸንሑ ተገይሩ ኣሎ\" ዝበለት ፈይዝ፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስድራኦም ተወሳኺ መርመራ ይግበር ከም ዘሎን'ውን ሓቢራ። እቲ ኮሚሽን ብወገኑ፡ ውልቃዊ ጽሬትን ተዛመድቲ ጥንቃቐታትን ዝምልከት ስርሓት ምዕባይ ኣፍልጦን ግንዛበን የሳልጥ ኣሎ ኢላ። ዝውሰዱ ስጕምቲታት፡ ንመምርሕታት ውድብ ጥዕና ዓለም ዝተኸተሉን ክዀኑ እቲ ኮሚሽን ኣገንዚቡ። እቲ ሕማም፡ ናብ ካልኦት ከባቢታት ክልል ገዳርፍ ብፍላይ ድማ ካብቲ መዓስከር ሓሙሽተ ኪ.ሜ ርሒቓ ናብ እትርከብ ከተማ ቱናይድባህ ከይላባዕ ናብቲ መዓስክር ሓደሽቲ መጻእቲ ከይኣትዉ ከም ዝተኸልከለ፡ ንሰብ መዚ ግዝኣት ገዳርፍ ጠቒሱ ሱዳን ትሪቡን ጸብጺቡ ኣሎ። ሚኒስትሪ ጥዕና ገዳርፍ፡ ኣብቲ መዓስከር ካብ ዝርከብ ሰብኣዊ ረድኤት ጕጅለ፡ 60 ብበዲዶ ህበይ ዝተጠርጠሩ ሰባት ምህላዎም ጸብጻባት ከም ዝበጽሖ ገሊጹ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ 21 ሽሕ ስደተኛታት ዘዕቈብሉ፡ መዓስከር ኡም ራኩባ፡ ክልተ በቲ ቫይረስ ዝተጠርጠሩ ከም ዘለዉ እቲ ጸብጻብ የመልክት። ብሓፈሻ ኣብ ሱዳን፡ 7 በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ሰበስልጣን እታ ሃገር ምዝራቦም ጸብጻበት የመልክቱ። ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም፡ በዲዶ ህበይ ምስ ዝተለኽፈ ሰብ ብምጽግጋዕ፡ ካብ ቆርበት ናብ ቆርበት፡ ካብ ኣፍ ናብ ኣፍ፡ ወይ ካብ ኣፍ ናብ ቆርበት ብምትንኻፍ እዩ ዝላባዕ። ኣብ ዝሓለፉ እዋናት፡ እቶም ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን ዝርከብ መዕቈቢ ስደተኛታት ብምኽንያት ሓያል ዝናብ ብውሑጅ ከም ዝተዋሕጠ ነበርቲ እቲ መዓስከር ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ስደተኛታት ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ኣብ መዓስከር ቱናይደባህ ብዝሃረመ ከቢድ ዝናብ እቲ ዝተዓቘቡሉ ቴንዳ ከም ዝፈረሰን ኣብ ዘሰክፍ ኵነታት ከም ዝርከቡን ተዛሪቦም። ኣመሓዳሪ ስደተኛታት እቲ መዓስከር ኣቶ ኣስማረ ኣዳል፡ ኣብቲ 5494 ቴንዳ ዘለዎ መዓስከር ብ3 ሓምለ 2013 ዓ.ም [ግእዝ] ብዝነበረ ብርቱዕ ንፋስን ዝናብን ብርክት ዝበለ መጽለሊ ከም ዝዓነወ ተዛሪቡ። እቲ ሓደጋ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ ከጋጥም ዝጸንሐ ምዃኑ ክገልጽ እንከሎ፡ መብዛሕትኦም ዓቕሚ ዝውሕዶም ስደተኛታት ኣብ ዘሰክፍ ኵነታት ከም ዝርከቡ ንቢቢሲ ትግርኛ ሓቢሩ ነይሩ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cp94gzn41gno"} {"headline":"ሓደ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ","content":"ብሓደ ካብ ላዕለዎት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ። ኣባል ሉኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዝኾነ ሌ\/ጀነራል ኢብራሂም ጃብር፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብምርኻብ ብዛዕባ ክልተኣዊን ዞባውን ጉዳያት ከምዝተዘራረበ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን፡ ሱና ሓቢሩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሓላፊ ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ ናብ ሱዳን ብምኻድ ምስ ምክትል ወተሃደራዊ ኣዛዚ እታ ሃገር ተራኺቡ ነይሩ። ሱዳን ነቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ከምእትድግፍን ኣብ ምትግባሩ ከምእትተሓጋገዝን'ውን ጀነራል ጃብር ገሊጹ'ሎ። ኣብዚ እዋን'ዚ ሱዳን ኣቦመንበር ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ምዃና ይፍለጥ። \"ኣብ ሃገራት ውድብ [ኢጋድ]፡ ጸጥታ፡ ምርግጋእን ቁጠባዊ ውህደትን ንምዕዋት ነቲ ውድብ ንምብርባር\" ከምእትሰርሕ'ውን ጉጅለ ልኡኽ ሱዳን ኣረጋጊጹ'ሎ። ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ \"ንክልቲኦም ወገናት ኣብ ዘገድሱ ጉዳያት\" ከምዝተዘራረቡ ሓቢሩ'ሎ። ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብሰንኪ ዘለወን ዶባዊ ምስሕሓብ ናብ ረጽሚን ምትፍናንን ኣምሪሐን ምጽንሐን ይፍለጥ። ብዘይካ'ዚ፡ ብጉዳይ ህንጸት ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ'ውን ንነዊሕ ዓመታት ክሰሓሓባ ጸኒሐን'የን። ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል-ቡርሃን ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ባህርዳር ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት 'ጣና ፎረም' ተሳቲፉ ምንባሩ ይዝከር። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዳይረክተር ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ፡ ናብ ርእሰከተማ ካርቱም ብምብጻሕ ምስ ምክትል መራሒ እታ ሃገር ዝኾነ ሌ\/ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጎሎ (ሕመቲ) ተራኺቡ ነይሩ። ክልቲኦም ሰበስልጣን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል ጸጥታዊ ምትሕብባር ከምዝተዘራረቡ ተገሊጹ ነይሩ። ኲናት ትግራይ ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ድሕሪ ምውልዑ፡ ሰራዊት ሱዳን ነቲ ዘሰሓሕበን ኣል-ፋሻጋ ተባሂሉ ዝፍለጥ ከባቢ ተቖጻጺሩ ምንባሩ ይዝከር። ምስቲ ኲናት ብዝተሓሓዝ'ውን፡ ገለ ዕጡቓት ካብ ሱዳን ከምዝኣተዉ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ክኸሱ ተሰሚዖም ነይሮም። እንተኾነ ግን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሱዳን ኣብ ኲናት ትግራይ ኢድ ከምዘይነበራ ኣፍሊጡ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ግን ሓንቲ ኣጽዋር ናብ ሓይልታት ትግራይ ንምብጻሕ ብወገን ሱዳን ክትኣቱ ዝፈተነት ነፋሪት ሃሪሙ ከምዝውደቐ ሰራዊት ኢትዮጵያ ገሊጹ ነይሩ። መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም፡ እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ውጹእ ሓሶት'ዩ ክብሉ ነጺጎምዎ'ዮም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ'ውን፡ ሱዳን ሓደ ሲቪል ዝርከቦም 7 ወተሃደራታ ብሓይልታት ኢትዮጵያ ከምዝተቐትሉ ከሲሳ ነይራ። ሰብመዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ኣብቲ ረጽሚ ሰራዊቶም ከምዘይተሳተፈ ብምግላጽ፡ ምስ ዕጡቓት ሚሊሻ ዝተኻየደ ምንባሩ'ዮም ዝምጉቱ ነይሮም። ብሰንኪ'ዚ፡ ሰራዊት ሱዳን ናብቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ዝነበርዎ ቦታታት ደብዳብ ከበድቲ ብረታት ከምዘካየደ ጸብጻባት ኣረጋጊጾም ነይሮም።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c979yn724z0o"} {"headline":"ኣብ ሱዳን ዝግፈፉ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት መን'ዩ ዝሓተሎም?","content":"ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ኣብ ካርቱምን ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገርን ኤርትራውያን ስደተኛታት ብጻዕቂ ይገፉ ምህላዎም ግዳያት ንቢቢሲ ሓቢሮም። እቶም ፖሊስ ነቶም ሕጋዊ ሰነድ ዘለዎም ስደተኛታት ከይተረፈ ብምግፋፍ ንሓደ ስደተኛ ካብ 500-600 ክኸፍል ከምዘገደድዎን እቶም ስደተኛታት ይሕብሩ። ብተወሳኺ ንዋሕስ ኢሎም ኣስታት 100 ዶላር ከምዘኽፍሉዎም ንቢቢሲ ሓቢሮም። እቶም ስደተኛታት ንዝምልከቶም ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ካርቱምን'ኳ እንተሓበሩ፡ ነቲ ሃድንን ምዝመዛን ጠጠው ከብልዎ ዝዀነ ስጕምቲ ከምዘይወሰዱ ዝሕብሩ እቶም ስደተኛታት፡ እቲ ብቐጻሊ ዝካየድ ግፋ ምናልባት እቶም ፖሊስ ብዘይሕጋዊ መገዲ የካይድዎ ከይህልዎ ከምዝጥርጥሩ እቶም ስደተኛታት ይሕብሩ። ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣስታት 20 ሃገራት ዓለም፡ ኣማኻርን ኣካያድን ዳግመ ምጥያስ ኰይኑ ዝሰርሐ ኣብ ኤርትራ ሓላፊ ኮሚሽን ምጥያስ ነበር ዶ\/ር ኣማኑኤል ምሕረትኣብ ኣብ ሱዳን ዘለው ኣስታት 135 ሽሕ ዝዀኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሕማቕ ኵነታት ከምዝርከቡ ንቢቢሲ ገሊጹ። እዞም ኣብ ዝተፈላለያ መዓስከራት ስደተኛታትን፡ ኣብ ከተማታት ካርቱም፡ ከሰላን ፖርት ሱዳንን ዝርከቡ ካብ ኵናት ዶባት 1998 –2000 ኣትሒዞም ክሳብ ሕጂ ብዘሎ ዘይፍትሓዊ ምሕደራን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብዘጋጥም ዘሎ ጎንጽን ግጭትን ዝተሰዱ ምዃኖም የረድእ። እቲ ኣስታት 20ሽሕ ኤርትራውያን መንእሰያት ዝበልዐን ንልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ኤርትራውያን ካብ ቤት ንብረቶም ዘፈናቐለ ኵናት ዶባት፡ ድሕሪ ሰብኣዊ ህልቂትን ንዋታዊ ክሳራን እዮም ክልቲኦም ሓይልታት ይግባይ ብዘይብሉ ስምምዕ ኣልጀርስ ክዳነዩ ወሲኖም። እንተዀነ እቲ ብይን ብኣብያ መንግስቲ ኢትዮጵያን ምጽቃጥ ኣውሓስቲ ሓይልታት ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት ጸለውቲ ሃገራትን ን18 ዓመት ተወንዚፉ ኣብ ኵነተ ኵናት ጸኒሑ። ብሰንኩ ገደብ ግዜ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራውያን ካብ 18 ኣዋርሕ ናብ ልዕሊ 10 ዓመታት ተመጢጡ። ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ዶባት ብጠያይቲ ኣሕዋቶም እናተሳሕቱ ናብ መዓስከር ጐረባብቲ ሃገራትን ኢትዮጵያን ሱዳንን ውሒዞም። ካብኡ ቀጺሎም እውን ብኣዝዩ ሕሱም መገዲ ሰሃራን ሲናይን ማእከላይ ባሕርን ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ብዙሕ መከራን ሽግርን ከምዝረኣዩ ዶ\/ር ኣማኑኤል የረድእ። ስርዓት ሃይለስላሰ ንፈደራላዊ ውዕል ኣፍሪሱ መሰልን ክብረትን ኤርትራውያን ግሂሱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ግፍዒ ምስ ፈጸመ እዩ ኤርትራውያን ንፈለማ ግዜ ኣብ መፋርቕ 60ታት ንሱዳን ተሰዲዶም። ኣብ 1967 ከኣ ላዕላዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታት መዓስከር ከፊቱ ክድግፎም ጀሚሩ። ካብ ሽዑ ንደሓር ኣብ ኤርትራ ብዝኽሰት ዝነበረ ቀጻሊ ውግኣትን ደርቅን ካብ 1975 ክሳብ 1978 ጥራይ ልዕሊ 200,000 ሲቪል ኤርትራውያን ናብ መዓስከራት ሱዳን ሰጊሮም። ከምኡ እናበለ ከኣ ኣብ መፋርቕ 80ታት እቲ ቝጽሪ ፍርቂ ሚልዮን በጺሑ። ኤርትራ ኣብ ግንቦት 1991 ነጻነታ ምስ ረኸበት፡ ኣብ መንጐ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራን ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብዝተገብረ ስምምዕ ልዕሊ 100ሽሕ ስደተኛታት ንሃገሮም ተመሊሶም። እንተዀነ ኣብ መስርሕ ምምላስን ዳግመ ምጥያስን ምስ ዩኤንኤችሲኣር ዘይምርድዳእ ስለዝተፈጥረ፡ እቲ መስርሕ ከም እተዓናቐፈ፡ ኣብቲ እዋን ሓላፊ ኮሚሽን ምጥያስ ነበር ዶክተር ኣማኑኤል ምሕረትኣብ ይገልጽ። ይዅን እምበር ብዙሓት ስደተኛታት በብመገዶም ንኤርትራ ተመሊሶም እዮም። ዳሕራይ ግን ብሰንኪ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘጋጠሞም ምሕደራን ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ብቐጻሊ ዝካየድ ዝነበረ ብረታዊ ጐንጺ ካብቶም ዝተመልሱ እንደገና ንሱዳን ከምእተሰዱ ይሕብሩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ብሰንኪ እቲ ኣብ ጐረቤት ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኤርትራ እተሳተፈቶ ውግእ ሓድሕድ ካብ ዕስክርና ኣምሊጦም ንሱዳን ዝኣተው ኣስማቶም ክዕቀበሎም ዝሓተቱ ብሽሞንድን ዓንዶምን ክጽውዑ ዝሓተቱ ክልተ መንእሰያት፡ ካብ ግፋን ሃድንን ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ብምስጋእ ዝበዝሕ ግዜኦም ኣብ ገዛ ተዓጽዮም የሕልፉዎ ከምዘለው ይገልጹ። ሽሞንዲ ነቲ ኵነታት ክገልጾ እንከሎ፡ “ኣብ ሱዳን እውን መለሳ ጥጥቖ ቆሎ እዩ ኰይኑና ዘሎ። ግን ብዝወሓደ ኣብ ዘይትድግፎን ዘይትኣምነሉን ኵናት ካብ ምማትን ምስንካልን ህይወትካ ምዕቃብ ዓቢ ነገር ስለዝዀነ ንዅሉ ዘጋጥመና ነገር ክንጾሮ ኢና” ይብል። ዓንዶም'ውን ተመሳሳሊ ርእይቶ እዩ ዘለዎ፡ “ብጠያይቲ ኣሕዋትና እናተሳሓትና ኢና ዶባት ሰጊርና። ብጥይት እናተሃደንካ ኣብ ዘይትድግፎ ወራር ድራር ሓዊ ካብ ምዃን ኵሉ ዓይነት መከራ ስደት ምቕባል ይሓይሽ፣ ምኽንያቱ ህይወት መተካእታ የብላን ይብል። ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ካርቱም ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ንስደተኛታት ክገፉ እንከለው ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዘውር ቀንዩ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ሱዳን ዘለው ስደተኛታት ኤርትራ ብቐጻሊ ይግፈፉ፡ ተገፊፎም ይግረፉን፡ ገንዘብ ክኸፍሉ ከምዝግደዱን ገሊኦም ድማ ክሃድሙ ክብሉ ብሓጺን ዝተቐዱን ዝተሃርሙን ከምዘለው ንቢቢሲ ሓቢሮም። ኣብ ሱዳን ኣብ ዝዀነ ኣጋጣሚ ስደተኛታት ካብ ጐደናታትን ዝነብርሉ ኣከባብን ብዓቕሞም ዝሰርሕሉ ቦታታት ተተገፊፎም ክውሰዱ ምርኣይ ልሙድ ምዃኑ ዶክተር ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ይገልጹ። “እቶም ወረቐት የብልኩምን ተባሂሎም ካብ ጐደናታትን ኣባይቶምን ዝግፈፉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድሕሪ ሒደት መዓልታት ሰለስተ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ሰሪሖም ዘይረኽቡዎ ገንዘብ ካብ 400 ክሳብ 500 ዶላር ክኸፍሉ እናተሓቱ፡ ካብ ኖቕጣታት ፖሊስ ይፍትሑ እዮም። ዝጣበቐሎም ዋናን ሓላፍነት ዝስከም ውዱብ ዝዀነ ኣካል ስለዘይበሎም ግን እንደገና ተገፊፎም ገንዘብ ክኸፍሉ ይሕተቱን” ክብሉ ነቲ ጸገም ይገልጹ። ዶ\/ር ኣማኑኤል፡ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት 2022 ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዝደጋገፍ “ዓርኮብኮባይ!” እተሰምየ ሓደ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ብሕጊ ተመዝጊቡ ብዓቕሙ ክነጣጠፍ ጀሚሩ ከምዘሎ ብምሕባር ነቲ ብንኡስ ዓቕሚ ኣብ ባይታ ወሪዱ ክሰርሕ ዝበጋገስ ዘሎ ትካል ብስደተኛታት ኣሕዋቱ ዝሓምም ዜጋ ክድግፎን ክዓስሎን ጸዊዑ። እቶም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሱዳን ዝጸንሑ ቀዳሞት ኤርትራውያን ስደተኛታት ምስ ዩኤንኤችሲኣር ብምርድዳእ ናብ ሃገሮም ክምለሱ እንከለው ሓላፊ ኮሚሽን ምጥያስ ኰይኑ ዘገልግል ዝነበረ ዶ\/ር ኣማኑኤል፡ ሽዑ ካብ ዜሮ ሕጂ ግን ኣዝዩ ውህሉል ሃብታም ተመኵሮ ስለዝተጠርየ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት እቲ ካብ ዓዶም ዘውጽኦም ጉዳይ ክሳብ ዝቕየርን ዝመሓየሽን ኣብተን ዝተዓቚቡለን ጐረባብቲ ሃገራት ስራሕን ትምህርትን እንተተፈጢሩሎም ረጊኦም ህይወቶም ክመርሑ ከምዝኽእሉ ይዛረብ። “ኤርትራውያን ኣሕዋትና፡ ብሰንኪ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ኣብ ትግራይ ዝተፈጥረ ኵናት ሓድሕድ ረዳኢ ስኢኖም ኣዝዮም ተወጺዖም ጸኒሖም እዮም። ሕጂ ግን ኢትዮጵያውያን ብስምምዕ ፕሪቶርያ ጉዳዮም ብሰላም ከዳቕስዎ ተሰማሚዖም ስለዘለው፡ ንሕና እዞም ኣብ ስደት እንርከብ ኤርትራውያን ከኣ ዓቕምና ኣተሓባቢርና ነዞም ስደተኛታት ኣሕዋትና ክንድግፎምን ተስፋ ክንኰኖምን ይግባእ” ይብል። እቶም ኣብ 60ታት ንሱዳን ዝኣተውን ነጻነት ኤርትራ ምስተረጋገጸ፡ “ሎሚ ጽባሕ ንዓድና ክንምለስ ኢና” ኢሎም ንዓዶም ክምለሱ ሃንቀው እናበሉ ካልእ ዙር ስደት ዝተደረቦም ሕጂ ናብ ሓውሲ ከተማታት ዝማዕበላ ናይ ቀደም መዓስከራት ስደተኛታት ዝርከቡ ኤርትራውያን ሕጂ'ውን እንተዀነ ንዓዶም ክምለሱ ከምዝደልዩ ጸብጸባት ዩኤንኤችሲኣር የረድኡ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c806zj1gg10o"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለምንታይ ንዝቕባበ ክቈጻጸር ዘይከኣለ?","content":"ሰናይት፡ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት፡ ሱዙኪ ዲዛየር 1200 ‘ሲሲ’ ዝዓይነታ መኪና፡ ብ1.38 ሚልዮን ብር ዓዲጋ። ድሕሪ ፍርቂ ዓመት፡ ዋጋ እዛ መኪና 2.2 ሚሊዮን ብር ከም ዝበጽሐ፡ ቢቢሲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከቡ ትካላት መሸጣ መካይን ኣረጋጊጹ። እዛ ኣብ ህንዲ እትፈሪ ሳልሳይ ወለዶ ዲዛየር [ሰርድ ጀነሬሽን] መኪና፡ ካብ 2017 ዓ.ም [ኣ. ኣ] ጀሚራ’ያ ኣብ ዕዳጋ ውዒላ። ዋጋ እዛ መኪና ብዶላር እንክትመን፡ ኣስታት 10 ሽሕ ይበጽሕ። እዚ፡ በቲ ሕጂ ኣብ ባንክ ዘሎ መጠነ ሸርፊ ወጻኢ ክቕመር እንከሎ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ይኸውን። ኣብ ኬንያ፡ ዋጋ እዛ መኪና ካብ 1.3 ክሳብ 1.4 ሚልዮን ሽሊን ኬንያ [11 ሽሕ ዶላር] ይግመት። ናብ ዩጋንዳ ንኺድ፤ እዛ መኪና ኣብ ዕዳጋ ካምፓላ ብ43 ሚልዮን ሽሊን ዩጋንዳ [ኣስታት 11 ሽሕ ዶላር] ትሽየጥ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዝርአ ዘሎ ወሰኽ ዋጋታት ኣዝዩ ይንህር ከም ዘሎ ብተደጋጋሚ ይግለጽ። ኤጀንሲ ማእከል ስታቲስቲክስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ወርሒ መጋቢት [2014] ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቲ ዝቕባበ ዋጋ ምስ ናይ ቅድሚኡ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ34.7 ሚእታዊት ወሰኽ ከም ዘርኣየ ገሊጹ ነይሩ። እቲ ወሰኽ ዋጋታት፡ ንመግቢ ኣብ ዘገልግሉ፡ ከም ኣሕምልቲ፡ ፍረታት፡ ኣእካል፡ ቀመማት፡ ዘይቲ፡ ጠስምን ቡንን ዝኣመለሱ ፍርያት ከም ዝዛይድ ይሕብር። ሄኖክ፡ ቀዳማይ ዓመት ልደት ወዱ \"ንእስ ብዝበለ ድግስ\" ንምኽባር ኣስታት 40 ሽሕ ብር ከም ዘውጽአ ንቢቢሲ የዕልል። \"ምስ በዓልቲ ቤተይ፡ ብዙሕ ሰብ ከይንዕድም ተሰማሚዕና፣ ቤተሰብ ጥራይ ኢና ዓዲምና። መሸላለሚ 6 ሽሕ ብር ወዲኡ፣ እዚ ዅሉ ንባለንቺናን መብራህትን ጥራይ'ዩ። ንበዓልቲ ቤተይ ባህላዊ ክዳን፣ ንዓይን ንደቀይን ድማ ከምኡ 10 ሽሕ ብር ኣውጺእና። ስጋን ሽጉርትን ከምኡ'ውን ዘይትን ካልእን 11 ሽሕ፣ ንኬክ ድማ 3 ሽሕ ብር ኣውጺአ።\" ሄኖክ፡ ድሕሪ ልደት ወዱ ንመጓዓዝያ ካልኦት ወጻኢታትን ክድምር እንከሎ፡ 40 ሽሕ ከም ዝበጽሐ ምስ ተገንዘበ፡ ደንጽይዎ ምእማን ከም ዝሰኣነ ይዛረብ። እዚ ጥራይ ኣይኰነን፤ ትምህርቲ ክጅመር እንከሎ ንበዅሪ ወዱ ሓደ ደርዘን ጥራዝ ንምግዛእ 880 ብር ከም ዘውጽአ ሓቢሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዝቕባበ ዋጋ፡ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ብዙሕ የዘራርብ ኣሎ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ዕዳጋ ኣሕምልትን ፍረታትን ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ 'ሃይሌ ጋርመንት' ኣብ ዓውዲ ንግዲ ተዋፊሩ ዝርከብ ሓደ መንእሰይ፡ ካብ ቀረባ ኣዋርሕ ንነጀው ብፍላይ ዋጋ ኮሚደረን ጻዕዳ ሽጉርትን ኣዝዩ ከም ዝኸበረ ገሊጹ። \"ሓደ ኪሎ ኮሚደረ [ከም ደረጃ ጽርየቱ] ካብ 55 ክሳብ 70 ብር፣ ጻዕዳ ሽጉርቲ ድማ ክሳብ 250 ብር ይሽየጥ።\" ዝቕባበ ክበሃል እንከሎ ብቐሊሉ፡ ዋጋ ናይቲ ዝሽየጥ ኣቕሓ ወይ ኣገልግሎት ምውሳኽ ማለት እዩ። ቬነዝወላ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝለዓለ ዝቕባበ ዘለዋ ሃገር እያ። ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት [2022] ኣብታ ሃገር ዝተመዝገበ ዝቕባበ ዋጋ፡ 1198.0 ሚእታዊት ነይሩ። በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ዕዳጋ ዝርአ ወሰኽ ዋጋ ብቕልጡፍ ስለ ዝለዋወጥ፡ ትካላት ንግዲ ኣብ ዘቕርብዎም ፍርያት ተመን ዋጋ ምቕማጥ ሓዲጐም፡ ዓማዊል መዓልታዊ ዘሎ ዋጋ ሓቲቶም ክገዝኡ ይገብሩ ነይሮም። ከምዚ ዓይነት ወሰኽ ዋጋ፡ ልዑል ዝቕባበ ዋጋ [ሃይፐር ኢንፍሌሽን] ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኰይኑ፡ ወጻኢታት መንግስቲ ልዕሊ ዓቐን ክኸውን እንከሎን፡ መንግስቲ ወጻኢታቱ ንምሽፋን ገዚፍ መጠን ገንዘብ ብብዝሒ ክሕትም እንከሎን ዘጋጥም ቁጠባዊ ቅልውላው እዩ። ‘ሃይፐር ኢንፍሌሽን’ መብዛሕትኡ ግዜ ኲናት፡ ናይ ስርዓት ለውጢ ወይ ማሕበረ-ቍጠባዊ ቅልውላው ክህሉ እንከሎ ዝኽሰት እዩ። ቬነዝወላ፡ ቅድሚ ሕጂ ካብ ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካ ዝልዓለ እቶት ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ዝነበራ ሃገራ እያ። መብዛሕትኡ እቶት እታ ሃገር ካብ ንግዲ ነዳዲ ዝርከብ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ 1980ታትን 1990ታትን ዋጋ ነዳዲ ክወርድ እንከሎ ቁጠባኣ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ። ብ2014፡ ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ ካብ ዝነበሮ 100 ዶላር ብ2016 ናብ ትሕቲ 30 ዶላር ክወርድ እንከሎ፡ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ዓቢይ ክሳራ ወሪዱ። ሱዳን፡ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ እታ ዝለዓለ ዝቕባበ ዘለዋ ሃገር ኰይና፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት [2022] ኣብታ ሃገር 245.1 ሚእታዊት ዝቕባበ ተመዝጊቡ። በዚ ምኽንያት ኣብ ዓለም ካልአይቲ ዝለዓለ ዝቕባባ ዋጋ ዘለዋ ሃገር ኰይና እያ። ካብ ቀረባ ዓመታት ንነጀው፡ ኣብ ሱዳን ዋጋ መግብን መስተን ብምውሳኹ ከምኡ’ውን ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዘሎ ዋጋ ዶላር ብምኽባሩ፡ ልዑል ዝቕባበ ዋጋ ክርአ ጀሚሩ። ብሰንኪ'ዚ ድሕሪ ዝስዓበ ተቓውሞ፡ ፕረዚደንት ነበር ዑማል ሓሰን ኣልበሽር ብ2019 ካብ ስልጣኑ ከም ዝተኣለየ ይዝከር። ብሓፈሻ ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ዝተመዝገበ ዝቕባበ ናብ 12.2 ሚእታዊት ክዓቢ እንከሎ፡ እዚ ድማ መብዛሕትአን ሃገራት ሓያልን ኣድማዕን ስርዓት ንግዲ ስለ ዘይብለን እዩ ክብል ቢዝነስ ኢንሳይደር ኣፍሪቃ ይገልጽ። ዝቕባበ፡ ኣብ ስሪላንካ ዝነበረ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ንኽጕሃሃር ጠንቂ ብምዃን፡ ህዝባዊ ተቓውሞታት ኣልዒሉ እዩ፤ ነዚ ብሰንኩ'ውን ፕረዚደንት እታ ሃገር ካብ ስልጣኑ ወሪዱ። ዝቕባበ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንብዙሓት ሃገራት ዝፍትን ዘሎ ቅልውላው ኰይኑ፡ ዋጋ ቀረብ ጸዓትን መግብን ምውሳኹ፡ ሕጽረት ካልኦት ቀረባት ምህላው፡ ከምኡ'ውን ለበዳ ኮሮናቫይረስ እቲ ጸገም ክጋደድ ካብ ዝገበሩ ምኽንያታት ምዃኖም ሰብ ሞያ ይዛረቡ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ግንቦት [2019 ዓ.ም] ዝተመዝገበ ዝቕባበ 37.2 ሚእታዊት'ዩ ነይሩ። እዚ ኢትዮጵያ ድሕሪ 2011 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ዘመዝገበቶ ዝለዓለ መጠን ዝቕባበ እዩ። ጸብጻብ ኤጀንሲ ማእከል ስታቲስቲክስ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ነሓሰ 2014 ዓ.ም ዝተመዝገበ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ዝቕባባ 32.5 ሚእታዊት በጺሑ'ዩ። ኣብቲ እዋን ዝተመዝገበ መጠን ዝቕባበ ትሕት ዝበለሉ ምኽንያት፡ ናህሪ ዋጋ መግቢ ተዛማዲ ምርግጋእ ስለ ዘርኣየ'ዩ ይብል። ይዅን'ምበር፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ዝቕባበ ካብ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ እያ። ብፖለቲካዊ ናዕብን ዘይምርግጋእን ትናወጽ ዘላ ሱዳን፡ 245.1 ሚእታዊት ዝቕባበ ብምምዝጋብ ኣብ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ከም ዝዀነት ስታቲስታ ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል የረድእ። በብግዜኡ ብናህሪ ዋጋታት እትሕመስ ዙምባብወ፡ 86.7 ሚእታዊት ብምምዝጋብ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትርከብ። ኢትዮጵያ ድማ ስታቲስታ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ክሰርዓ እንከሎ፡ ትሬዲን ኢኮኖሚክስ ብ32.5 ሚእታዊት ኣብ ራብዓይ ደረጃ ከም እትርከብ ይሕብር። ክኢላ ፋይናንስን ኦዲትን ጥላሁን ግርማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መጠን ዝቕባበ፡ \"ብደረጃ ዓለም ምስ ዝኽሰት ዘሎ ነገራት ዝተሓሓዝ'ዩ፡\" ይብል። \"ዓለም ከምዚ ዝበለ ናህሪ ዋጋታት ርእያ ኣይትፈልጥን\" ብምባል ብዙሓት ሃገራት ኣብዚ ጸገም ከም ዝወደቓ ይገልጽ። እቲ ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ዋጋ ነዳዲ፡ ምህርቲ ስርናይ፡ ዘይትን ካልኦት ሃለኽቲ መግብታትን ክውስኽ ምኽንያት ኰይኑ'ዩ። ዋጋ ነዳዲ ክውስኽ እንከሎ፡ \"መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ንነዳዲ ዝገብሮ ዝነበረ ድጐማ ምልዓሉ እቲ ጸገም ዝያዳ ክብእስ ገይርዎ'ዩ። ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ዋጋ ነዳዲ ክውስኽ እንከሎ ዋጋ ኵሎም ፍርያት'ዩ ሓፍ ዝብል፡\" ይብል ኣቶ ጥላሁን። ብኻልእ ወገን፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ናብራ ኣብ ምኽባር ናይ ባዕሉ ግደ ኣለዎ፡ ብምባል እቲ ግጭት ጠጠው እንተዘይኢሉ፡ እቲ ኵነታት ክጋደድ ከም ዝኽእል ይገልጽ። ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ፡ ብናህሪ ዝውስኽ ዘሎ ዋጋ ተሽከርከርቲ ብኣብነት ዝጠቅስ እቲ በዓል ሞያ፡ ሕጽረት ዶላር ካልእ ምኽንያት ልዑል ዝቕባበ ዋጋ እታ ሃገር ክኸውን ከም ዝኽእል ሓቢሩ። \"ናብ ውሽጢ ዓዲ መኪና ዘእትዉ ሰብ ሃብቲ ከምቲ ዝደልይዎ ዶላር ኣይረኽቡን። ተፈቒዱሎም ዶላር ረኺቦም ከእትውወን እንከለው ክኣ፡ ከሲቦም'ዮም ዝሸጡወን፡\" ኢሉ። ኣብ ተሽከርከርቲ ዘሎ ዋጋ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ካልኦት ጠለባት ዘሎ ናህሪ ዋጋ፡ ዶላር ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ምስ ዘለዎ ዋጋ ዝተሓሓዝ ምዃኑ እቲ ኦዲተር የረድእ። \"ሓደ ዶላር ልዕሊ 90 ብር'ዩ ዝሽየጥ ዘሎ፤ ኣብ ባንክ ድማ 53። መኪና ዘእትው ነጋዶ፡ ንይምሰል'ዮም ዶላር ካብ ባንክ ዝሓቱ እምበር ኣብ ጸሊም ዕዳጋ'ዮም ዝገዝኡ። ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዘሎ ዋጋ'ዮም ድማ ናብ ዓደግቲ ዘመሓላልፉዎ።\" ብሉምበርግ፡ ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ዶላር ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ኢትዮጵያ ዘለዎ ዋጋ ክሳብ 92 ብር ከም ዝበጽሐ ኣስፊሩ'ሎ። ብኣንጻሩ፡ ባንክታት ብ52.5 ብር የሽርፋኦ ከም ዘለዋ፡ ካብ ባንክ ንግዲ ኢትዮጵያ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት። ዶላር፡ ኣብ ጸሊም ዕዳጋን ባንክን ዘለዎ ፍልልይ፡ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዘስዓቦ ጽልዋ እዩ ክብል ንምኽትል ፕረዚደንት ማእከላይ ባንክ ፍቓዱ ድጋፌ ጠቒሱ ብሉምበርግ ጸብጺቡ'ሎ። ኣብ ዓለም፡ ብልዑል ዝቕባበ ዝሽገራ ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መግብን ምስ መግቢ ዝተሓሓዙ ነገራትን ከምኡ'ውን እታወታት ህንጻን፡ ልዑል ናህሪ ዋጋታት ክምዝገብ ተራእዩ። መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ተመን ሸቐጣትን ናውትን እንተኣውጽአ'ውን፡ ልዕሊ ሰሙን ዝጸንሕ ዕድመ የብሎምን። ንኣብነት፡ ኣብ ቀረባ ዋጋ ስሚንቶ ምውሳኹ ስዒቡ ሚኒስትሪ ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ሓድሽ ተመን ዋጋ ወግዓዊ ከም ዝገበረ ይዝከር። ስሚንቶ፡ ካብ ፋብሪካ ዝወጽኣሉ ሓድሽ ዋጋ እቲ ዝትሓተ 510 ብር ኰይኑ፡ እቲ ዝለዓለ ደማ 683.44 ከም ዝዀነ እቲ ሚኒስትሪ ይገልጽ። ይዅን'ምበር፡ እዚ ተመን ምስ ወጽአ፡ ስሚንቶ 1050 ብር ይሽየጥ ከም ዘሎ ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ደላሊ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። \"መንግስቲ፡ ነዚ ጸገም ናይ ሓጺር እዋን መፍትሒ ንምሃብ፡ ኣብ ሃለኽቲ መግብታት ድጐማ ክገብር ኣለዎ\" ዝብል ኣማኻሪ ፋይናንስ ጥላሁን፡ እንተዀነ ዘላቒ መፍትሒ ክገብረሉ ከም ዘለዎ የተሓሳስብ። \"ንኣብነት፡ ኣነ ኣብ ቀረባ ንመኪናይ መድሕን ክኸፍል ከይደ፡ ንሓደ ዓመት 125 ብር እዮም ኣኽፊሎምኒ። እዚ እንታይ ይገብረሎም?\" ብምባል ኣብ ስርዓት ኣተኣኻኽባ ግብሪ ሕቶ የልዕል። \"እቲ መስርሕ ብግቡእ ክርአ ኣለዎ። ግብሪ ማለት ካብ ዘለዎ ወሲድካ ንዘይብሉ ከም ምሃብ እዩ። ኣብዚ መንግስቲ ብኣድማዕነትን ክሰርሕ ኣለዎ፡\" ኢሉ። ምስዚ ጸገም ብዝተሓሓዝ ቅድም ኢሉ ዘዘራረብናዮ ክኢላ ስነ ቝጠባ ጉቱ ቴሶ [ዶ\/ር]፡ “እቲ ጸገም ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ስለ ዝዀነ” ናይ ሓጺር ግዜ መፍትሒ ክህልዎ’ዩ ኢሉ ከም ዘይኣምን ተዛሪቡ ነይሩ። ተቐማጢ ለንደን ምሁር ስነ ቝጠባ ዓብዱልመናን መሓመድ ድማ፡ “መንግስቲ ካብ ሃገራዊ ባንክ ዝልቅሖ ገንዘብ ክንኪ፡ ኣገዳስነቶም ዘተሓትት ፕሮጀክታት ደው ብምባል፡ ካልኦት ፕሮጀክታት ድማ ንግዜኡ’ውን እንተዀነ ደው ከብል” ይምዕድ። “ዓቕሚ ምግዛእ ብር ብመንጽር ሸርፊ ወጻኢ ክጐድል ምግባር፡ ዋጋ ካብ ወጻኢ ዝኣትው ኣቝሑ ክውስኽ ስለ ዝገብር፡ ደው ክብል ኣለዎ። መንግስቲ እዞም ስጕምታት ዝወስድ እንተዀይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ለውጢ ክርአ ይኽእል’ዩ” ዝብል እምነት ኣለዎ። ባንክ ዓለም ድማ፡ ልዑል ዝቕባበ ዋጋ ዘመዝገባ ሃገራት መነባብሮ ህዝበን ኣብ ምምሕያሽ ትኵረት ክገብራ ከም ዘለወን የተሓሳስብ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72k70r3k97o"} {"headline":"ኣብ ሱዳን ብውሕጅን ዕልቕልቕን 50 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ሱዳን ብዘጋጠመ ከቢድ ዝናብ ክረምቲ ዝሰዓበ ውሕጅን ዕልቕልቕን፡ ልዕሊ 50 ሰባት ከምዝሞቱን ብዙሕ ንብረት ከምዝዓነወን ትካላት ረድኤት መንግስቲ እታ ሃገር ሓቢረን። ካብ ዝሓለፈ ግንቦት ወቕቲ ክራማት ኣትሒዙ ኣብታ ሃገር ብዝዘነበ ዝናብን ውሕጅን ኣስታት 136 ሽሕ ሰባት ንሓደጋ ከምእተቓልዑን ብዙሓት ሰባት ኣደዳ ሞትን መጕዳእትን ምምዝባልን ከምዝዀኑ ኮሚሽን ሰብኣዊ ረድኤት ሱዳን ገሊጹ። ውሕጅን ዕልቕልን ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ዕንወት ከምዘኸተለ ዝሓበረ እቲ ኮሚሽን፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ክረምቲ ኣዋርሕ 52 ሰባት ከምዝሞቱን 25 ከኣ ከቢድ ጉድኣት ከምዝወረዶምን ሓቢሩ። ብተወሳኺ እቲ ውሕጅ ኣብ 12 ግዝኣታት እታ ሃገር 8,900 ዝኸውን ኣባይቲ ከዕኑ እንከሎ፡ ካልእ 20,600 ኣብ ዝኸውን ኣባይቲ ከኣ ከቢድ ዕንወት ኣስዒቡ። ሰሜን ኮርዶፋን ካብተን ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ውሕጅን ዕልቕልቕን ከቢድ ጕድኣት ዘጋጠማ ዞባ ኰይና 19 ሰባት ሞይቶምዋ። ወኪል ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ፡ ኣብ ግዝኣት ፈለግ ናይል ከኣ ብተደጋጋሚ ሰባት ምሟቶም ንወሃቢ ቃል ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ንሲቪላዊ ድሕነት ብርጋዴር ጀነራል ዓብዱልጀሊል ዓብዱልራሕማን ጠቒሱ ገሊጹ። መንግስታዊ ትካላትን ማሕበራት ረድኤትን ኣብ ዝተፈለላየ ከባቢታት እታ ሃገር ብሰንኪ ከቢድ ዝናብን ውሕጅን ልዕሊ 130 ሽሕ ሰባት ኣደዳ ከቢድ ጸገም ምዃኖም ሓቢረን። ብፍላይ ህዝቢ ማእከላዊ ዳርፉር፡ ደቡብ ዳርፉር፡ ፈለግ ናይልን ጻዕዳ ናይልን ልዕሊ ካልእ ግዝኣታት ብዝያዳ ከምዝተሃስያ እቲ ጸብጻብ የረድእ። እቲ ውሕጅ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ሰብን ንብረትን ዘውረዶ ከቢድ ክሳራ ኣብ ትካላት ጥዕና መሰረተ ልምዓት ማይን ከቢድ ዕንወት ከምዘውረደ ተፈሊጡ። ብተወሳኺ ብኣማኢት ዝቝጸራ ጥሪት ብውሕጅ ተወሲደን ኣስታት 20 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዝገማገም መሬት ሕርሻ ከኣ ከቢድ ጉድኣት ወሪዱዎ። ትካል ረድኤት ህጹጽ እዋን ሱዳን ዓመታዊ ብዝናብን ውሕጅን ሓደጋ ከጋጥም ምጽንሑ፡ እንተዀነ ምስ ዝሓለፈ እዋን ክነጻጸር እንከሎ እዚ ናይ ሎምዘበን ዝኸፍአ ምዃኑ ሓቢሩ። ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣትሒዙ መጠን ፍሰት ፈለግ ናይል ይውስኽ'ኳ እንተሎ፡ ገና ኣብ ዘስግእ ደረጃ ከምዘይበጽሐ ተሓቢሩ። ሩባ ኣትባራ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ብዝዘንብ ዘሎ ሓያል ዝናብ ስለዝመልአ ሓደጋ ከስዕብ ከምዝኽእል እቶም ሰበስልጣን ገሊጾም። ትካላት ወሃብቲ ረድኤት ነቶም ብሰንኪ ውሕጅን ዕልቕልቕን ዝተጐድኡ ህዝቢ ሱዳን ረድኤት ንምዕዳል፡ ምቹእ ዝኾነ ቦታ ንምልላይ ልዑል ጻዕሪ የካይዳ ምህላወን ሓቢረን። ኣብ ሱዳን ወቕቲ ክራማት ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ክሳብ ወርሒ መስከረም ከምዝቕጽል ይፍለጥ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cgryppew40do"} {"headline":"ብዛዕባ’ታ ኣብ ትግራይ ‘ተወቒዓ ወዲቓ’ ዝተባህለት ኣንቶኖቭ እንታይ ንፈልጥ?","content":"ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ብዝተሓሓዝ፡ ኣንቶኖቭ-26 ዝዓይነታ ነፋሪት፡ ኣጽዋር ጽዒና ናብ ትግራይ ኣብ እትኣትወሉ ተሃሪማ ወዲቓ ተባሂሉ ነይሩ። ብረቡዕ 4 ነሓሰ 2022፡ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሌተናል ጀነራል ይልማ መርዳሳ፡ እታ ነፋሪት ብሸነኽ ሱዳን ክሊ ኣየር እታ ሃገር ጥሒሳ ኣትያ ኢሉ። ወሲኹ፡ “ናብ ህወሓት ኣጽዋር ተብጽሕ ዝነበርት እያ” ኢሉ። ነዚ ኣመልኪቶም ኣብቲ ዕለት ዝወጽኡ መንግስታዊ ሓበሬታታት ግና ንሓድሕዶም ዝጋራጨው እዮም ኔሮም። ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ “ንብረት ታሪኻዊ ጸላእትና ዝዀነት ነፋሪት ኣጽዋር ጽዒና ኣብ መቐለ ከተራግፍ እንከላ” ተሃሪማ ወዲቓ ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። መንግስቲ ትግራይ ድማ ብቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ወጻኢ ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “እዚ ፍጹም ሓሶት’ዩ፤ ናብቲ ክልል ዝኣተወ ኰነ ተሃሪሙ ዝወደቐ ነፋሪት የለን” ዝብል ምላሽ ሂቡሉ። ስለዚ ብዛዕባ እዛ ነፋሪት እንታይ ኢና ንፈልጥ? ክሳዕ ሕጂ፡ ብዛዕባ ‘ቲ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ዘጋጠመ ኵነታት ዘረጋግጽ ጭቡጥ ዝርዝር መረዳእታ ኣይተረኽበን። ኣብ ትግራይ ኣገልግሎታት ተሌኮምዩኒኬሽን ብዘይምህላው፡ ብዛዕባ’ቲ ፍጻመ ምርግጋጽ ኣጸጋሚ ገይሩዎ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ እታ ነፋሪት እንታይ እያ ጽዒና ነይራ? ክሊ ኣየር እታ ሃገር ጥሒሳ ዝኣተወትሎም ቦታታት ኣየኖት’ዮም? ተወቒዓ ዝወደቐትሉ ልክዕ ቦታኸ ኣበይ’ዩ? ዝብሉ ሕቶታት ዝምልሱ ምውዳቕ እታ ነፋሪት ዘርእዮ ቪድዮታት ወይ ናይ ምስሊ መረዳእታታት ኣይቀረቡን። እቲ ሓይሊ ኣየር፡ ኣብ ሰሌዳ ዝተሳእለ ምስሊ መሰረት ገይሩ መግለጺ ከም ዝሃበ ይፍለጥ። ኣብ ትዊተር፡ ብዛዕባ ነፈርትን ተዛመድቲ ጉዳያትን መርመራ ብምቕራብ ዝፍለጥ ኼርዮን [[https:\/\/twitter.com\/Gerjon_] ዋላ'ኳ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዝሃቦ መረዳእታ እዅል እንተዘይኰነ፡ ምንቅስቓስ ነፋሪት ከም ዝነበረ ዘርእዩ ሓበሬታታት ግን ኣለው ይብል። እቲ ተንታኒ ከም ዝብሎ፡ ኣንቶኖቭ-16 ነፋሪት ብኣቆጻጽራ ሰዓት እታ ሃገር ምሸት ሰዓት 1፡50 ከም ዝኣተወት ይገልጽ። ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሌተናል ጀነራል ይልማ መርዳሳ፡ እታ ነፋሪት ምሸት ሰዓት 2፡50 ተራእያ ይብል። ናብ ኣንፈት ምብራቕ ብምኻድ ናብ ደቡባዊ ሽረ ቀጺሉ ናብ ኣኽሱም ከም ዝኸደትን ካብ ሽፋን ራዳር እታ ሃገር ብምውጻእ ኣንፈታ ናብ መቐለ ከም ዘቕንዐት ምዝራብ ይከኣል ይብል። ድሕሪኡ፡ እታ ነፋሪት ንመወዳእታ ግዜ ምሸት ከባቢ ሰዓት 3፡14 ዳግም ኣብ ከባቢ መቐለ ከም ዝተራእየትን ናብ ዶብ ሱዳን ከም ዘቕነዐትን ይገልጽ። ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ድማ፡ እታ ነፋሪት ከባቢ ሰዓት 3፡30 ተወቒዓ ወዲቓ ይብል። እቲ ሓይሊ ኣየር፡ እታ ነፋሪት ካብ ራዳር ዝጠፍኣትሉ ምኽንያት ግልጺ’ኳ እንተዘይገበረ: ባይራክተር ቲቢ-2 ዝተባህለ ድሮነ ቱርኪ እታ ነፋሪት ዶብ ጥሒሳ ክትኣቱ እንከላ ዘርእዩ ምስልታት ከም ዘልዓለት ይገልጽ። እዚ ዝርዝር ብምርኣይ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ዝጸሓፈ ተንታኒ ኣቪየሽን ኼርዮን፡ እቲ መግለጺ ቅኑዕ ይመስል፤ እዚ ድማ፡ ካብ ሱዳን ናብ ትግራይ በረራታት ምህላዎም ዘርኢ’ዩ ኢሉ። ይዅን’ምበር፡ እዚ መግለጺ “ሓሶት እንተዀይኑ ኸኣ፡ ጽቡቕ ሓሶት እዩ” ክብል ጽሒፉ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ኲናት ትግራይ ዳግም ቅድሚ ምውልዑ ኣብ ዝነበሩ ሒደት ሳምንታት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ትግራይ ብነፈርቲ ኣጽዋር የእትዉ ነይሮም ክብል ከሲሱ ነይሩ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ነሓሰ ምስ መንእሰያት ኣብ ዝገበሮ መድረኽ ዘተ፡ ናብ ትግራይ ዕጥቂ ይኣቱ ኣሎ ክብል ተዛሪቡ እዩ። “ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ፡ ውሑዳት ነፈርቲ ብለይቲ ተሓቢአን ኣብ ሽረ ዕጥቂ የራግፋ ኣለዋ። ዝዀነት ሜድያ ብዛዕባ’ዚ ኣይተዛረበትን፤ ንሶም ግን ዘይንፈልጥ’ዩ ዝመስሎም” ኢሉ። ንሱ፡ ዋላ’ኳ ከምዚ እንተበለ፡ መንግስቲ ዝምልከት ብዛዕባ ዝወሰዶ ስጕምቲ እንተሃለወ ግን ዝበሎ ነገር የለን። እታ ነፋሪት፡ ብሸነኽ ሱዳን ክሊ ኣየር ኢትዮጵያ ጥሒሳ ከም ዝኣተወት ተገሊጹ። ኣብዚ ጉዳይ ብግልጺ ዝተባህለ ነገር እንተዘይሃለወ’ውን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘለውዎ ውሽጣዊ መስመራት ካብ ሱዳን መብርሂ ሓቲቱ ክኸውን ከም ዝኽእል ይእመን። እዚ፡ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንኽሕርፍፍ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ። ብሰንኪ ህንጸት ግድብ ህዳሰ ከምኡ’ውን ብሕቶ መሬት ይግብኣኒ፡ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ወጥሪ ዘላ ሱዳን ነዚ ክሲ ነጺጋቶ እያ። ወሃቢ ቃል ሰራዊት እታ ሃገር ነቢል ዓብደላህ ንብሉምበርግ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ሱዳን ምስቲ ክስተት ዝዀነ ዓይነት ርክብ የብላን” ኢሉ። ዝሓለፈ ሰሉስ ድማ፡ ሱዳን ኣብ ሃገራ ዝርከብ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ንምውዳቕ እታ ነፋሪት ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ ክእርም ጸዊዓ ኣዘራሪባቶ እያ። ብፍላይ ንወተሃደራዊ ጽዕነት ብሰፊሑ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕላ ነፈርቲ ኣንቶኖቭ፡ ብዙሓት ሃገራት፡ ወተሃደራት፡ ዕጥቅን ስንቅን ንምጕዕዓዝ ይጥቀማሉ እየን። ኢትዮጵያን ካልኦት ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃን ነዘን ገዘፍቲ ነፈርቲ ዝውንና ኰይነን፡ መብዛሕትአን ኣብ ትሕቲ ሓይሊ ኣየር እተን ሃገራት እየን ዝንቀሳቐሳ። ስለዚ፡ እዘን ነፈርቲ፡ ኲናትን ምንቅስቓስ ሰራዊትን ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ክርኣያ ልሙድ እዩ። እዘን ነፈርቲ ድማ፡ ኣብቲ ዳርጋ ክልተ ዓመት መሊኡዎ ዘሎ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ከም ዝተራእያ ይዝረብ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ድምጺ ላዕለዋይ ተመራማሪ ክራይስ ግሩፕ ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል ዝዀነ ዊልያም ዴቪሰን እዩ ዝተባህለ ቅዳሕ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ይዘውር ነይሩ። ኣብዚ ድምጺ፡ እቲ ተመራማሪ ጽዕነት እተን ነፈርቲ’ኳ እንተዘይፈለጥና ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ግን ናብ ትግራይ በረራታት ነይሮም’ዮም ክብል ይስማዕ። እዚ ድምጺ ናቱ ምዃኑ ንቢቢሲ ዘረጋገጸ ዴቪሰን፡ “እወ ናተይ’ዩ” ኢሉ። “እቲ ዝበልኩዎ ልክዕ’ዩ ኢለ እኣምን። ናብ ትግራይ ኣቕሓ ዝጽዓና ነፈርቲ ከም ዝኣተዋ ሓበሬታ ኣሎኒ፡” ይብል። ካብዚ ሓሊፉ ግን፡ እቶም በረራታት ካበይ ዝብገሱ’ዮም? ናይ መን ነፈርቲ’የን? ዝብል ዝርዝር ሓበሬታ ክህብ ከም ዘይክእል ተዛሪቡ። “ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝርኣናዮ ኲናት፡ ክልቲኦም ወገናት ዓቕሞም ከጠናኽሩ ጸኒሖም’ዮም። ክልቲኦም ሰራዊት ይምልምሉ፣ የሰልጥኑን ኣጽዋር ይሽምቱ ከም ዝነበሩ እኣምን’የ፡” ይብል። ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ናብ ትግራይ ነፈርቲ ይኣትዋ ምንባረን ዝምልከት ሓበሬታ ከም ዘለዎ ንምርግጋጽ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን። ተንታኒ ኣቪዬሽን ኼርዮን፡ ምቍራጽ ተጻብኦ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ናብ ትግራይ ረድኤት ዘግዕዛ ነፈርቲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ሳማሪታንስ ፐርሲ ደ-8 ዝተባህለት ረድኤት እትጽዕን ነፋሪት እንተዘይኰኑ፡ ናይ ካልእ ሓበሬታ የብለይን ይብል። ካብ ሰብ መዚ መንግስትን ገለ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያን ወጻኢ፡ ነቲ ብመንግስቲ ዝቐረበ ሓበሬታ ዘራጉድ ኣካል ኣይተረኽበን። ክልቲኦም ወገናት፡ ንኲናት ይዳለው ከም ዝነበሩ ግን ብዙሓት ተንተንቲ ይኣምኑ። ኣማኻሪ ዓለምለኸ ማእከል መጽናዕትን ስትራተጅን ካሜረን ሃድሰን፡ “እቲ ድርድር ኣብ ባይታ ጭቡጥ ለውጢ ብዘይምምጽኡ ናብ ኲናት ክኣትው ከም ዝኽእሉ ዘርእዩ ነገራት ነይሮም” ኢሉ። ይዅን’ምበር፡ ክልቲኦም ወገናት ገዚፍ ምድላው ይገብሩ ነይሮም ምባል ይኸብድ እዩ፡ ብምባል ይዛረብ። “ህወሓት፡ ሓያል መደብ እንተዝዝነብሮ ነዳዲ ክዓቍር ምኽኣለ። ካብ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ነዳዲ ምውሳዶም ምሉእ ምድላው ከም ዘይገበሩ’ዩ ዘርኢ። መንግስቲ ድማ ነፈርቲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተጠቒሙ ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣጽዋር ልኢኹ ተባሂሉ ይንቀፍ’ዩ። ማእከላይ መንግስቲ’ውን ስጕምቲ ናይ ምውሳድ መደብ እንተዝነብሮ፡ ወተሃደራዊ መገዲታት ተጠቒሙ ሰራዊት ኣብ ተጠንቀቕ ከጽንሖ ምኽኣለ ነይሩ፡” ይብል። ክሪስ ፓርትሪጅ፡ ቢቢሲ ኒውስ ኣንቶኖቭ-26፡ ስርሓት ሕብረት ሶቭየት ነበር ኰይነን፡ ኣብ መወዳእታ 1960ታት ዝፈረያ’የን። እዘን ነፈርቲ፡ ካብ 1969 ክሳብ 1986 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ኣብ ኪቭ - ዩክረይን - ክስርሓ እንከለዋ፡ ብጠቕላላ 1398 ነፈርቲ ፈርየን። ኣን-26፡ ክልተ ሞተረ ኣለወን። ካብ ኣፍሪቃ፡ ኣንጐላ ካብ 1980 ክሳብ 1985 ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ 12 ኣን-26 ዓዲጋ። መንግስቲ ወቒዐ ኣውዲቐያ’የ ዝበላ ኣንቶኖቭ ትዅን፡ እተን ዊልያም ዴቪሰን ናብ ትግራይ ኣትየን እየን ዝበለን ነፈርቲ ገዘፍቲ እየን። ዊልያም ዴቪሰን፡ ዋላ’ውን እተን ነፈርቲ ዝሓዛኦ ንብረት እንተዘይተፈልጠ፡ ነፈርቲ ጽዕነት ምዃነን ግን ይፍለጥ እዩ ኢሉ። ኣንቶኖቭ ግን፡ ካብ ራዳር ወጻኢ ናይ ምዃን ዕድለን ኣዝዩ ጸቢብ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ፡ እዘን ገዘፍቲ ነፈርቲ ብወተሃደራዊ ጀት ወይ ካብ ባሕሪ ብዝውንጨፍ ሚሳይል ክውቅዓ ይኽእላ። ብኻልእ ወገን፡ ተንታኒ ኣቪየሽን ኼርዮን፡ ከም ኣንቶኖቭ ዝበላ ገዘፍቲ ነፈርቲ ‘ትራንስፖርደር’ ወይ መቈጻጸሪአን እንተጥፊአንኦ’ውን ኣብ ቀረባ ዘሎ ተቘጻጻሪ ትራፊክ ክርእየን ይኽእል እዩ ይብል። “ኣን-26፡ ኣዝያ ገዛፍ ነፋሪት ስለዝዀነት፡ ዓይነት እታ ነፋሪት እንተዘይተፈልጠ’ውን፡ በራሪ ነገር ምህላው’ውን ብራዳር ክልለ ይኽእል’ዩ”። ኣንቶኖቭ፡ ቦይንግን ኤርባስን ዘፍርይወን ነፈርቲ ጽዕነት፡ ማእከላይ ንውሓተን 70 ሜትሮ ኰይኑ፡ ንውሓት መንገብገበን ድማ 73 ሜትሮ’ዩ። ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ኣባል ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ነበር ድማ፡ “ዑፍ እኳ” እንተዀነት ኣብ ውሽጢ ራዳር ትኣቱ እያ ይብል። “ሓደ በራሪ ነገር፡ ትሕቲ 400 ጫማ እንተበሪሩ ካብ ራዳር ወጻኢ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኣንቶኖቭ ግን ካብዚ ንታሕቲ ክትበርር ኣይትኽእልን’ያ፡” ይብል። ራዳር፡ ካብ 100-3500 ኪ.ሜትር [ብመዐቀኒ ርሕቀት ማዕበል ሰማይ - sky wave] ወይ ድማ ክሳብ 500 ኪ.ሜትር [ብመዐቀኒ ርሕቀት ማዕበል ምድሪ - surface wave] ከለሊ ከም ዝኽእል እቲ ኣባል ሓይሊ ኣየር ነበር ወሲኹ የብርህ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣስታት 22 ሽሕ ብኣንቶኖቭ ዝፈረያ ነፈርቲ ኣብ ዓለም ኣገልግሎት ይህባ ከም ዘለዋ ይእመን። ኤን-255 ዝተባህለት ወይ ድማ ‘ምሪያ’ ብዝብል ሳጓ እትጽዋዕ ነፋሪት ኣንቶኖቭ፡ ሕጂ’ውን ኣብ ኣገልግሎት በረራ ከም ዘላ ይፍለጥ። እዛ ሽዱሽተ ሞተረታት ዘለዋ ገዛፍ ነፋሪት፡ 710 ቶን ጽዕነት ክትስከም ዓቕሚ ኣሎዋ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ckrzz9kz995o"} {"headline":"‘ጣልቃ ኣትዩ ዘድሕን ዝሰኣነት’፡ ብእምኒ ተቐጥቂጣ ክትቅተል ዝተፈረደት ሱዳናዊት","content":"ብዝሙት ተኸሲሳ፡ ብዳርባ እምኒ ተቐጥቂጣ ክትቅተል ዝተፈረደት ሱዳናዊት ንእስቲ ንምድሓን ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ፡ ኣብታ ሃገር ዝምልከቶ ሚኒስትሪ መንግስቲ ብዘይምህላዉ ክሰምር ኣይከኣለን፡፡ ሱዳን ድሕሪ እቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ብወተሃደራዊ ጕጅለ እያ እትምራሕ ዘላ፡፡ መስርሕ ፍርዲ እታ ጓል 20 ዓመት ፍትሓዊ ከምዘይነበረ ዝገልጹ ጐስጐስቲ፡ ነጻ ክትልቀቕ ይሓቱ ኣለዉ፡፡ ኣብ 2020 ምስ በዓል ቤታ ተፈላልያ ምስ ቤተሰባ ምንባር ዝጀመረት እዛ ንእስቲ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ሰብኣያ ብዝሙት ከሲስዋ፡፡ ኣብ 2022 ድማ ኣብ ግዝኣት ጻዕዳ ናይል ኣብ እትርከብ ከተማ ኮስቲ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ገበነኛ ኢልዋ፡፡ እታ ንእስቲ ዘቕረበቶ ይግባይ ዝሰምዐ ቤት ፍርዲ ውሳነ ክህብ ትጽቢት ይግበር ኣሎ፡፡ ኣብ ሚኒስትሪ ማሕበራዊ ዕብየት፡ ሓላፊት ክፍሊ ኣንጻር ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ዝዀነት ሱለይማ ይስሓቕ፡ እቲ መስርሕ ፍርዲ ምድንጋር ከም ዝነበሮ ንብዙሓት ኣብ ካርቱም ዝርከቡ ሰብመዚ ከምዝነገረቶም ትገልጽ፡፡ እንተዀነ ሚኒስተራት መንግስቲ ብዘይምህላዎም እቲ ጸገም ክፍታሕ ከምዘይከኣለ ትዛረብ፡፡ ጕጅለታት ሰብኣዊ መሰል፡ እታ ንድሕነታ ክበሃል ሽማ ዘይተገለጸ ግዳይ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እናሃለወት ጠበቓ ከይህልዋ ከምዝተገበረን ብዛዕባ ዝቐረባ ክሲ ኣፍልጦ ከምዘይነበራን ንቢቢሲ ተዛሪቦም፡፡ \"ብፖሊስ ተገዲዳ ኑዛዘ ክትፍርም ተገይራ እያ ኢልና ክንኣምን ዝገብር እኹል ባይታ ኣሎ\" ይብል ዳይረክተር ማእከል ፍትሕን መጽናዕቲ ሰላምን ኣፍሪቃ፡ ሞሳድ መሓመድ ዓሊ፡፡ ጠበቓኣ እንትሳር ዓብደላ ብወገና፡ ድሕሪ እቲ ዘቕረበኦ ይግባይ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ፍትሓዊ ውሳነ ብምሃብ ነታ ተኸሳሲት ብነጻ ክፈትሓ ተስፋ ከምእትገብር ትገልጽ፡፡ ሱዳን፡ ስርቅን ዝሙትን ዝኣመሰሉ ኣብ ቁርኣን ‘ሕዱድ’ ተባሂሎም ዝፍለጡ ገበናት ንዝፍጽሙ ሰባት፡ ሕጂ እውን ብሞት ትቐጽዕ እያ፡፡ እዞም ገበናት ኣብ ሕጊ ሱዳን መግረፍቲ፡ ምቝራጽ ኣእዳውን ኣእጋርን፡ ስቕለትን ብእምኒ ቀጥቂጥካ ምቕታልን ዝኣመሰሉ መቕጻዕቲታት የስዕቡ፡፡ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝገልጽዎ፡ ዋላ'ኳ መንግስቲ ሱዳን ኣብ 2015፡ ብእምኒ ቀጥቂጥካ ምቕታል ካብ ዝርዝር መቕጻዕቲ ከምዝኣልዮ ቃል ኣትዩ እንተነበረ፡ ተግባራዊ ኣይተገበረን፡፡ \"ዋላ እቶም ኣዐርዮም ዓቃባውያን ዝበሃሉ ፖለቲከኛታት፡ ኣንጻር አቲ ብእምኒ ዝፍጸም ቅትለት እዮም\" ትብል ሱለይማ ይስሓቕ፡፡ \"እንተዀነ ኣብዚ ነገራት ንምቕያር ነዊሕ ግዜ እዩ ዝወስድ፤ ብኣብያተ ፍርዲ ኣቢሉ እዩ ዝሓልፍ፡፡ እተን ቀንዲ ዝሳቐያ ድማ ደቂ ኣንስትዮ እየን።\" ዞባዊ ዳይረክተር ሲሃ ዝተባህለ ትካል ተጣባቒ መሰል ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓላል ኣልቐሪብ፡ ዝሙት ዝቕጸዐሉ ሕጊ ሱዳን ምስ ደቂ ተባዕትዮ ብዘይመጣጠን ቍጽሪ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝፍጸም ትገልጽ፡፡ ብጐስጎስቲ እትፍለጥ ንመወዳእታ ግዜ ብገበን ዝሙት ብእምኒ ተቐጥቂጣ ክትቅተል ዝተፈረዳ እንትቲሳር ኣ'ሸሪፍ ዓብደላ ዝተባህለት ንእስቲ እያ ነይራ፡፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሺዓን ብዘካየድዎ ጐስጓስ ንሳን ናይ 4 ወርሒ ዕድመ ውላዳን ኣብ 2012 ተፈቲሖም፡፡ እንተዀነ ወ\/ሮ ኣልቐሪብ ግን ብዙሕ ዘይተራእዩ ተመሳሰልቲ መቕጻዕቲታት ከምዝህልዉ ትገልጽ፡፡ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ኦማር ኣል-በሽር ኣብ 2019 ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣን ምስተኣለየ፡ ዝተጣየሸ መሰጋገሪ መንግስቲ ነቲ ኣካውናን ኣከዳድናን ደቂ ኣንስትዮ ብዝምልከት ዝነበረ ሕጊ ኣልዒይዎ፡፡ ኮይኑ ግና እቶም ነቲ ሕጊ ዘፈጽሙ ዝነበሩ ፖሊስ ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ዕልዋ ናብ ጎደናታት ተመሊሶም ነቲ ሕጊ የፈጽሙ ከምዘለዉ ሱዳናዊት ጋዜጠኛ ዘይነብ መሓመድ ሳልሕ ትገልጽ፡፡ እቲ ወታሃደራዊ ጉጅለ ንተኣመንቲ በሽር ዳግም ቆጺሩ የስርሕ ከምዘሎ እውን ጸብጻባት ይሕብሩ፡፡ ሱዳን ኣብ 2021 ንስምምዕ ሕቡራት ሃገራት ኣንጻር ምስቓይ ፈሪማ እያ፡፡ ‘‘ብእምኒ ቀጥቂጥካ ምቕታል እቲ ዝኸፈአ ዓይነት ምስቓይ እዩ’’ ይብል ሞሳድ መሓመድ ዓሊ፡፡ እታ ንእስቲ ክትፍታሕ ዝጕስጉሱ ዘለዉ ሃገራውያንን ዓለምለኻውያን ዘይመንግስታዊ ትካላት እውን፡ እዚ ዓይነት መቕጻዕቲ \"ጨካን፡ ዘይሰብኣውን ዘዋርድን\" ክብሉ ይገልጽዎ፡፡ ጠበቓ እንትሳር ዓብደላ፡ ነታ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘላ ጓል 20 ዓመት መንእሰይ ክትርእያ ዝፍቀደላ እንኮ ሰብ እያ፡፡ \"ኣካላዊ ጥዕናኣ ኣብ ደሓን እዩ ዘሎ፤ ኣዐርያ ተጨኒቓ ከምዘላ ግን ርዱእ እዩ\" ትብል፡፡ \"ናይቲ ይግባይ ዝሰምዕ ቤት ፍርዲ ውሳነ ንጽበ ኣለና፤ መዓስ ከምዝነግሩና ግን ዝፈልጥ ሰብ የለን። ዘለና ሓደ ኣማራጺ ምጽባይ እዩ።\" እንተዀነ ኣብቲ ፍርዲ ምሉእ እምነት የብላን፡፡ \"እቲ ይግበኣኒ ዝሰምዕ ቤት ፍርዲ ንዓኣ ደጊፉ ኣይፈርድን ዝብል ሻቕሎት ኣለና። ማሕበረሰብ ዓለም ድምጹ ምስ ዘስምዕን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሱዳን ጸቕጢ ምስ ዝግብርን ኢና፡ ደቂኣንስትዮ ካብዚ ሕጊ እነድሕን፡፡ ሕጂ'ውን ንሱ እዩ ክግበር ዘለዎ።\" \"እዚ ውሳነ ንዓለም ዘሰንብድ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ንዓና ግን ኣየሰንብደናን።\" ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ገበናዊ ቤት ፍርዲ ኮስቲ መብርሂ ሓቲቱ፡ ምላሽ ኣይረኸበን፡፡ ሚኒስተር ፍትሒ ሱዳን ስለዘይተመደበ ድማ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ሕቶ ምቕራብ ኣይተኽኣለን። ወሃቢ ቃል እቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ ኤምባሲ ሱዳን ግና \"ነዚ ጉዳይ ብምሉእ ንፈልጦ ኢና፤ ንሕና ብእንፈልጦ እዚ ናይቲ ቤት ፍርዲ ናይ መወዳእታ ውሳነ ኣይኰነን። ነዚ ብዝምልከት ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ሓለፍቲ ፍትሒ ረኺብናዮም ኢና፤ ምላሽ ድማ ንጽበ ኣለና፡\" ኢሉ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv27neknx0no"} {"headline":"ተጋሩ ስደተኛታት ኣብ ዝርከቡሉ መዓስከር ዘጋጠመ ባርዕ እንታይ ጉድኣት ኣብፂሑ?","content":"ኣብ ሱዳን መዓስከር ስደተኛታት ኡምራኩባ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓያሎ ስደተኛታት ብዘይ መፅለሊ ከም ዝተረፉ ተገሊፁ። ብሰንኪ እቲ ባርዕ ብዙሓት ስደተኛታት፡ ኩሉ ዝነበሮም ንብረት ከም ዝሰኣኑ ምክትል ኣማሓዳርን ማሕበራዊ ጉዳይን መዓስከር ኡምራኩባ መምህር ኣሉላ ገብረጀወርግስ ንቢቢሲ ገሊፁ። ኣብቲ መዓስከር ቅድሚ ሎሚ’ውን ብተደጋጋሚ ሓደጋ ባርዕ ከም ዘጋጠመ ዝዝከር ኰይኑ፡ 01 ታሕሳስ 2014 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ብዝተኸሰተ ባርዕ 67 መጽለሊ ብምዕናዉ 175 ስደተኛታት ብዘይመፅለሊ ተሪፎም ነይሮም። እቲ ብሰሉስ 15 ሕዳር 2022 ፍሉይ መፀውዒኡ ‘ዞን ሰለስተ’ ኣብ ዝብሃል ክፋል እቲ መዓስከር ዘጋጠመ ሓዊ ድማ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ከምዝተኸሰተ መምህር ኣሉላ ተዛሪቡ። “ኣብ ልዕሊ ህይወት ዝበፅሐ ጉድኣት የለን። ንብረት ብዝምልከት ግን ክዳውንቱ ኮነ ዶክመንቱ ከውፅእ ዝኸኣለ ዋላ ሓደ ሰብ የለን” ኢሉ። በቲ ባርዕ 51 ካብ ቴንዳን ዕንፀይትን ዝተሰርሑ ዳሳት ምሉእ ብምሉእ ዝዓነዉ ኮይኖም፤ ኣብቶም ጊዚያዊ መዕቖቢ ዝነብሩ ዝነበሩ ልዕሊ 130 ሰባት ብዘይ መፅለሊ ተሪፎም ኣለዉ። ቢቢሲ ካብቲ መዓስከር ዝበፅሕዎ ቪድዮታት እውን እቶም ብጊዚያውነት ዝተሃነፁ መንበሪ ስደተኛታት ብሓዊ ዓንዮም፤ ኣብ ውሽጢ ዝነበረ ንብረትን ኣእካልን ናብ ሃሙኹሽቲ ተቐይሩ የርእዩ። መንቀሊ ናይቲ ሓደጋ ዛጊድ ብንፁር ከምዘይፍለጥን ኣብ ምፅራይ ከምዝርከብን ዝሓበረ ምክትል ኣማሓዳርን ማሕበራዊ ጉዳይን መዓስከር ኡምራኩባ መምህር ኣሉላ፡ ኣቀማምጣ ናይቶም መፅለሊ ግን ከም ምኽንያት ተቓላዕነት ኣቐሚጡ። “ንነብረሉ ዘለና ገዛውቲ ምችው ኣይኮነን። ንሓድሕዱ ዝተለጋገበ እዩ። ካብ ሓደ ገዛ እዩ እቲ ሓዊ ተበጊሱ” ክብል ኣረዲኡ። ነበርቲ እቶም ብቴንዳን ዕንፀይትን ዝተሃነፁ ጊዚያዊ መፅለሊ፡ ንመስርሒ ዳሳት ክብሉ ኣርዮም ዘምፅእዎም ሳዕርን ገረብን ምስቲ መግቢ ንምብሳል ኮነ ንኻልእ ኣገልግሎት ዝነድድ ሓዊ ተደሚሮም ብተደጋጋሚ ንዘጋጥም ባርዕ መንቀሊ ይኾኑ ከምዘለዉ ወሲኹ ገሊፁ። ኣብ መዓስከር ኦምራኩባ ዝርከቡ ዝበሎም ልዕሊ 17 ሽሕ ስደተኛታት ብሰንኪ’ቲ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ዘሎ ባርዕ ኣብ ሓደጋ ይርከቡ ክብል ተዛሪቡ። ፀብፃብ ወኪል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት - ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር - ከምዘመልክቶ ብ28 ለካቲት 2022 ዝተመዝገበ ቁፅሪ ነበርቲ እቲ መዓስከር 19,189 ነይሩ። ብድሕሪ እቲ ሓደጋ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት (ዩኤን ኤች ሲ ኣር) ናብቲ ቦታ ብምኻድ ነቲ ኩነታት ከምዝተዓዘበን ጊዚያዊ መፅለሊ ቴንዳታት ከምዝተኸለን መምህር ኣሉላ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። “ዩ.ኤን. ኤች.ሲ.ኣር ስደተኛታት ንግዚኡ ናብ ዝተዳለወ ቦታ እናመፅኡ ክምገቡ ይገበር ኣሎ። ክሳብ ሕዚ ግን ቀዋሚ ዝኾነ መንበሪ ገዛ፣ ንብረትን ካልእ ነገርን ኣይተውሃቦምን። እተን ዝነደዳ ገዛውቲ ኣፅንዕወን ኢሎምና ቆፂርና ነጊርናዮም” ይብል። ስደተኛታት ድሕሪ’ቲ ባርዕ ብግዚያውነት ኣብ ዝተተኸሉ ቴንዳታት ይሓድሩ’ኳ እንተሃለዉ፡ ዛጊድ ግን ዝድቅሱሎም ፍርናሻት ኮነ ዝኽደንዎም ኣልባሳት ከምዘይተወሃቦም ወሲኹ ገሊፁ። “ዝነደዱ ገዛውቲ ዝነበሩሉ ቦታ ተጸሪጉ ኣብ ዝተዳለወ ዳስ እዮም ክምለሱ ተጌሩ ዘሎ። [ኣብ ዘይነደደ ክፋል እቲ መዓስከር] ቤተሰብ ዘለዎም ናብኦም ከይዶም ተፀጊዖም ኣለዉ። ዝተረፉ ግን ኣብቲ ዝተዳለወ ዳስ ይሓድሩ ኣለዉ” ክብል ነቲ ዘሎ ኩነታት ኣረዲኡ። ካልኦት ገበርቲ ሰናይ ትካላት እውን ነቲ ዝበጽሐ ሓደጋ ዳህሲሶምዎ ከምዝኸዱ ተፈሊጡ’ሎ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cq5704p2qz1o"} {"headline":"ሕቡራት ሃገራት ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ሱዳን ወተሃደራዊ ምልመላ ተኻይዱ ዝብል ሓበሬታ ከምዝበጽሖ ገሊጹ","content":"ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት ወተሃደራዊ ምልመላ ይግበር ከምዝነበረ ዝሕብር ሓበሬታ ከምዘለዎ ገሊጹ። ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ዘለዉዎም መዕቆቢ ስደተኛታት ሱዳን፡ ወተሃደራዊ ምልመላ ከምዝካየድ፡ ሓበሬታ ከምዘለዎ ሓቢሩ። እቲ ትካል ኣብ ፈለማ ኣዋርሕ 2022 ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ስደተኛታት ብግዱድ መገዲ ሓዊሱ ወተሃደራዊ ምልመላ ከምዝተፈጸመ ተኣማንነት ዘለዎ ጸብጻባት ከምዝበጽሖ ንቢቢሲ ሓቢሩ። እቲ ኮሚሽን፡ ወተሃደራዊ ምልመላ ከምዝካየድ ምስ ፈለጠ፡ ንማእከላይ መንግስትን ምምሕዳራት እቲ ከባብን ሱዳን ስክፍትኡ ከም ዝገለጸ፡ እቲ ኩነታት ዝተመሓየሸ ይመስል ነይሩ፡ ክብል ብኢመይል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ሓቢሩ። እቲ ትካል፡ \"እቲ ወተሃደራዊ ምልመላ ንምፍጻም ካብ ኢትዮጵያ ዝመጹ ሰባት ከምዝነበሩ\" ካብቶም ስደተኛታት ከምዝተረድአ እኳ እንተገለጸ፤ ኣየናይ ኣካል እዩ ነቲ ምልመላ ዘካየደ ንዝብል፡ \"ከረጋግጽ ኣይከኣልኩን” ኢሉ። እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፡ ካብቶም ዶብ ሰጊሮም ኣብ ሱዳን ከም ስደተኛታት ዝተመዝገቡ ሰባት፡ ምስ ሓይልታት ትግራይ ኮይኖም ተዋጊኦምኒ እዮም፡ ክብል ብተደጋጋሚ ክኸስስ ፀኒሑ እዩ። ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ዳርጋ ንክልተ ዓመታት ዝጸንሐ ኩናት ሓድሕድ ስዒቡ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ተወለድቲ ትግራይ፡ ካብ ምዕራብ ትግራይ ናብ ሱዳን ከምዝተሰደዱ ዝዝከር እዩ። ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብዚ ብቐንዱ ሓይልታት ኣምሓራ ተቖጻጺሮምዎ ዝርከብ ግዝኣት፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ብቐጻሊ፡ ከበድቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈጸሙ ምኽሳሶም ይዝከር። ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ዝግበር ዝኾነ ይኹን ወተሃደራዊ ንጥፈታት፡ ምስ ዓለምለኻዊ ሕግታት ኲናትን መትከላት ስደተኛታትን ዝጻረር ብምዃኑን፡ ድሕነት ስደተኛታትን ሰራሕተኛታት ረድኤትን ንሓደጋ ዘሳጥሕ ብምዃኑን፡ ደው ክብል ጠሊቡ። ብተወሳኺ፡ እቶም ኣብ ምልመላ ስደተኛታት ዝተዋፈሩ ሰባት ካብዚ ተግባር ክቑጠቡን ሰብኣዊ ሕግታት ከኽብሩን እቲ ትካል ጸዊዑ ኣሎ። ቅድሚ ሒደት መዓልታት ብሉምበርግ ዝተባሃለ ማእከን ዜና፡ ኣብ ሱዳን ተዋፊሮም ዝነበሩ፡ ተወለድቲ ትግራይ ዝዀኑ፡ ኣባላት ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት፡ ምስ ሓይልታት ትግራይ ወጊኖም ይዋግኡ ከምዘለው፡ ዝሕብር ፀብፃብ ዘርጊሑ ነይሩ። ንደቡብ ሱዳንን ንሱዳንን ኣብ እተሰሓሕብ ገዝኣት ኣቢየ ተዋፊሮም ካብ ዝነበሩ ወተሃደራት ዓቃብ ሰላም ከባቢ 500 ዝኾኑ ተወለድቲ ትግራይ 'ናብ ኢትዮጵያ ኣይንምለስን ኢና' ብምባል ኣብ ሱዳን ምትራፎም ተገሊጹ ኔሩ። ኣብ ሱዳን ዑቕባ ዝሓተቱ እዞም ኣማኢት ኣባላት ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ነበር፡ ምስ ካልኦት ተወለድቲ ትግራይ ብምዃን ዶብ ሰጊሮም፡ ንከተማ ሑመራ ክቆጻጸሩ ቀሪቦም ከምዘለዉ፡ ምስዚ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ሓቢሮምኒ ይብል ጸብጻብ ብሎምበርግ። ድሕሪ’ቲ ናይ ብሉምበርግ ጸብጻብ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዓቃብ ሰላም ነበር፡ 'ናይ ስደተኛነት መሰል ድሕሪ ምሃቡ እዮም ናብ ኲናት ተዋፊሮም ዘለዉ' ዝብል ክሲ ተደጋጋሚ ክቐርብ ጸኒሑ’ዩ። ይኹን እምበር፡ ንስደተኛታት ኣፍልጦ ዝህብ መንግስቲ ሱዳን ምዃኑን፡ ናቱ ተራ፡ ቴክኒካዊ ምኽርን ደገፍን ካብ ምሃብ ከምዘይሓልፍ እቲ ኮሚሽን ኣመልኪቱ። ብጠቕላላ 650 ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ነበር ኣብ ሱዳን ዑቕባ ምሕታቶምን፡ ካብዚኦም እቶም 247 ከም ስደተኛታት ኣፍልጦ ከምዝተዋህቦምን እቲ ኮሚሽን ኣብሪሁ። ይኹን’ምበር፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝለኣኾ ኢመይል፡ ብዛዕባ እቶም ከም ስደተኛ ኣፍልጦ ናይ ምርካብ መስርሕ ከይወድኡ ካብ ዝነበሩሉ ከባቢታት ዝወጹኡ ውልቀሰባት ብዝምልከት፡ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ገሊጹ። እቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ወሲኹ፡ \"ዓለምለኻዊ ሕጊ፡ ኣፍልጦ ስደተኛነት፡ ምስ ዝኾነ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ከምዘይሳነን፡ ሓደ ወተሃደር ዑቕባ ክሓትት እንተደልዩ ድማ ካብ ውትህድና ክወጽእ ከምዘለዎ ይድንግግ\" ኢሉ። ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዳግማይ ኲናት ምጅማሩ \"ነቶም ኣብ ጸበባ ዝርከቡ ሲቪላት ዝያዳ ሕሰም ከምጽእ'ዩ\" ኢሉ። ብሰንኪ እቲ ሓድሽ ግጭት፡ ብዙሓት ሰባት፡ ድሕነትን ሰብኣዊ ሓገዝን ንምድላይ ካብ መረበቶም ክመዛበሉ ከምዝኽእሉ እቲ ትካል ኣተንቢሁ ነይሩ። ኣብ ሱዳንን ኣብ መላእ ዓለምን ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሃብ እኹል ገንዘብ ዘይምህላዉ'ውን ስክፍታኡ ይገልጽ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሰንኪ ኩናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሱዳን ዝተዓቆቡ ዝበዝሑ ሰባት፡ ኣብ መዓስክር ስደተኛታት፡ ሩካባን ቱናያዳባን ከምዝርከቡ እቲ ትካል ጠቒሱ። እዞም መዕቖቢ ስደተኛታት፡ ካብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ከባቢ 500 ኪሎሜትር ርሒቖም ይርከቡ። እቲ ኮሚሽን፡ ድሕሪ ምውላዕ እቲ ጎንጺ፡ ሓደሽቲ ካብቲ ቦታ ዝኣተዉ ሰባት እንተሃልዮም ይከታተል ከምዘሎ ገሊፁ። ክሳብ ሕዚ ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ይኹን ኣብ መቐበሊ ማእከል ስደተኛታት ሓምዳይት ዘጋጠመ ጎንጺ ከምዘየለ ሓቢሩ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ዝኾነ ጉድኣት ከምዘይበፅሐ እቲ ትካል ገሊፁ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c728n15l3yjo"} {"headline":"ኤርትራ፡ ንምንታይ'ያ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዘይተዓደመት?","content":"ሰብ መዚ ኣሜሪካ፡ ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ኣሜሪካ ምስ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዘካይድዎ ኣኼባ ንኤርትራን ካልኦት ኣርባዕተ ሃገራትን ከምዘይዓደምወን ገሊጾም። ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ዝርከቦም ሰብ መዚ ኣሜሪካን ካብ 13 ክሳብ 15 ታሕሳስ’ዩ ክካየድ። ሰብ መዚ ኣሜሪካ ንኤርትራ በቲ ዘለዎም ሓርፋፍ ዲፕሎማስያዊ ርክብ፡ ንሶማሊላንድ ከኣ ከም ሃገር ስለዘይፈልጥዎ ከምዘይዓደምወን ገሊጾም። ኣሜሪካ፡ ንኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኢዳ ኣእትያ ብምባል ኣብ ልዕሊ ትካላት ህግደፍን ኣብ ልዕሊ ሓለቃ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፍሊጳስ ወልደዩውሃንስን ዝርከቦም ላዕለዎት ሰብ መዚ እገዳ ምንባራ ዝዝከር’ዩ። ብዘይካ’ዚ ኤርትራ ንሩስያ ንምኹናን ኣብ ዝተጸወዐ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ፡ ኣብ ጎኒ ሩስያ ምህላዋ ዘርኢ መርገጺ ምውሳዳ’ውን ኣሜሪካ ብጽቡቕ ከምዘይትርእዮ ብብዙሓት ይግለጽ’ዩ። ላዕለወይቲ ኣማኻሪት እቲ ዝካየድ ኣኼባን ፍልይቲ ኣማኻሪት ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ዳና ባንክ 49 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂን ናብቲ ኣኼባ ከምዝተዓደሙ ገሊጻ። ብዘይካ’ዚ እተን ብሕብረት ኣፍሪቃ ካብቲ ሕብረት ደስኪለን ዘለዋ ማሊ፣ ሱዳን፣ ጊኒን ቡርኪና ፋሶን’ውን ናብቲ ኣኼባ ከምዘይትዓደማ ተገሊጹ ኣሎ። ኣማኻሪት ጸሓፊ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ ሞሊ ፒ “ንሕና ውጥንናን ራኢናን ምስ ራእን ውጥንን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣህጉር ኣፍሪቃን ከምዝሳነ ገይርና ኢና ንሰርሕ ዘለና፡ እዘን ሃገራት [ማሊ፡ ሱዳን፡ ጊኒን ቡርኪና ፋሶን] ናብ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንኽመጽኣ ብፍሉይ ምስራሕ ክንቅጽል ኢና” ኢላ። ቤት ጽሕፈት ጸሓፊ ጉዳያት ኣሜሪካ ንኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ ኤርትራ ዝኾነ ክልትኣዊ ምትሕግጋዝ ከምዘይብላ ብምሕባር እንተኾነ “ምስ ህዝቢ ኤርትራ  ባህላዊ ምትእስሳራት ምክያድ” ክትቅጽል ምዃና ገሊጹ። ኣሜሪካ ንኤርትራ ብተደጋጋሚ ብጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ክትከሳ ጸኒሓ’ያ። ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ’ውን፡ ኤርትራ ሓዊሱ ኣብ 12 ክልተ ሃገራት ዘሎ ሃይማኖታዊ ነጻነት ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኵነታት ከምዘሎ ገሊጻ ምንባራ ዝዝከር’ዩ። ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ብቤት ጽሕፈቱ ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣሜሪካ ኣብተን ኣህጉራዊ ሕግታት ነጻነት ሃይማኖት ዝጥሕሳ ኢላ ዝዘርዘረተን ሃገራት ዘሎ ኵነታት ከምዘተሓሳስባ’ዩ ገሊጹ። ኤርትራ ብወገና፡ ኣሜሪካ ንዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመት ንኤርትራ ንምድኻም ብእገዳን ካልእን ፈቲና ከምዘይኮነላ'ያ ትገልጽ። ንመጀመርታ እዋን ኣብ ሰነ ናይቲ ዓመት ኣብ ኣስመራ ቤት ጽሐፈት (ቆንስል) ብምኽፋት ዝጀመረ ፕሎማስያዊ ርክብ ኣመሪካ ምስ ኤርትራ ኣብ ታሕሳስ 1993 ናብ ምኽፋት ኤምባሲ ተሰጋጊሩ። እንተኾነ ግን፡ ብፍላይ ካብ 2001 ጀሚሩ እንናሓርፈፈ ዝመጸ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ብደረጃ ኣምባሳደር ዝነበረን ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ናብ ደረጃ ፈጸምቲ ጉዳያት (ቻር ዲ ኣፌርስ) ኣውሪድዎ። ጠንቂ ምሕርፋፍ ናይቲ ዝምድና፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ካብ 2001 ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ፓለቲካዊ ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዜጋታት ዝተወስደ ናይ ምእሳር ስጉምቲ፡ ምዕጻው ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታትን፡ ምድራት ሲቪላዊ መሰላትን ምግሃስ መሳባዊ መሰላትን ምዃኑ ኣመሪካ ክትገልጽ ጸኒሓ'ያ። ኣብ መስከረም 2005 ክልተ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ክሳብ ሎሚ ኣብ ቀይዲ ምህላዎም ይንገር። ኤርትራ ብወገና፡ ቅድሚ'ዚ ዘሎ ምምሕዳር ኣመሪካ ዝነበሩ ሰለስተ ምምሕዳራት ኣብ ጉዳያ ኢድ ብምእታው ኣንጻራ ይሰርሑ ከም ዝነበሩ ክትከስስ ጸኒሓ። ኣብ 2010 ድማ እቲ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ኣምባሰደር ኣመሪካ ክወጽእ ተጌሩ። ድሒሩ'ውን ናይ ቪዛ ኣገልግሎት ምሃብ ኣቋሪጽዎ ከም ዝነበረ ይዝከር። ኣብ ኤርትራ ካብ 2009 ጀሚሩ ጸኒዑ ዝጸንሐ ናይ ኣጽዋር እገዳ ክግበር ኣመሪካ ብምድጋፋ'ውን ነቲ ዝነበረ ዝምድና መሊሱ ከም ዘጋደዶ ይንገር። እቲ እገዳ ኣብ መወዳእታ 2018፡ ንስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን ስዒቡ ከምዝተሰረዘ ይዝከር። ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ መጋቢት 2017 ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ናይ ባዕላ ማዕቀብ ምንባራ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘቖጠዐ'ዩ ነይሩ። ''ንምርድኡ ዘጸግምን ዘይምኽኑይ ተወሳኺ ስጉምቲ...ዘይሃናጺ መሰረት ሕግን ሕጋውነት ዘይብሉ ኣረጊት ጸወታ'ዩ\" ብምባል'ውን ግብረመልሲ ሂቡሉ ነይሩ። ይኹን'ምበር ካብ 2017 ጀሚሩ ኣብ መንጎአን ዝነበረ ርክብ ክመሓየሽ ጀሚሩ ነይሩ። ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ኩነተ-ኲናት ከብቅዕ ብምስምምዓ ዲፕሎማስያዊ ዝምድንአን ናብ ንቡር ናይ ምምላስ ኣንፈታት ኣርእዩ ነይሩ። ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣመሪካ ናብ ኤርትራ ምብጽሖም'ውን ነቲ ኣንፈታት ዘርኢ'ዩ ነይሩ። ኣብ ሚያዝያ 2018 ኣምባሳደር ዶናልድ ያማማቶ ድሕሪ 20 ዓመት ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ኣመሪካ ኮይኑ። ኣብ ታሕሳስ ናይቲ ዓመት'ውን ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ተራኺቦም ኣብ ክልተኣዊን ዞባውን ጉዳያት ከም ዝዘተዩ ኣብ እዋኑ ብማዕከናት ዜና ተቓሊሑ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ሃገሩ ምስ ኣመሪካ ዘለዋ \"ኣብ ምትሕግጋዝ ዝተሰረተ ምውቕ ዝምድና ንምድንፋዕ ሃናጺ ጽምዶ ከተካይድ ድልውቲ ምዃና\" ምግላጹ'ውን እቲ ሚኒስተር ጠቒሱ። ኣብ 2019 እውን፡ ብኣሜሪካዊት ኣደ መንበር ባይቶ ኣሜሪካ ካረን ባስ ዝተመርሑ ሓደስቲ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ፡ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ጆ ንጉሰን፡ ኣሜሪካዊት ሶማላዊት ኢልሃም ዖመርን ናብ ኤርትራ በጺሖም ነይሮም። ኣብ ግንቦት 2021 ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ትግራይ ድማ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ዝነበረ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፈልትማን ናብ ኣስመራ ብምኻድ ብዛዕባ ምትእትታው ሰራዊት ኤርትራ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተዘራሪቡ ነይሩ። አሜሪካ፡ ኤርትራ ሰራዊታ ኲናtእ ሕድሕድ ኢትዮጵያ ክትስሕብ ደጋጊማ ክትሓትት ጸኒሓ እያ። ጸኒሑ ድማ ምምሕዳር ባይደን፡ ምስ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ትግራይ ብዝተሓሓዝ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል ዝርከቦም ትካላትን ላዕለዎት ሰብ መዝን ኤርትራ እገዳ ኣንቢሩ። መንግስቲ ኤርትራን ደገፍቱን፡ ኣሜሪካ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ተጻባኢ መርገጺ ወሲዳ ክብሉ ተቓውሞኦም ክገልጹ ጸኒሖም። ሰብ መዚ ኤርትራ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ኮነ ኣህጕራዊ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንዝቐርበሎም ክስታት፡ ንምስሊ ሃገር ንምድዋን ዝቐርብ \"ውዲት'ዩ\" ክብሉ እዮም ዝነጽግዎ። ኤርትራን ኣሜሪካን፡ ኣብ ሃገረን ናይ ሓድሕደን ኣብያተ ጽሕፈት ኤምባሲታት'ኳ እንተለወን፡ ካብ ክልቲኤን ኣብ ክንዲ ብኣምባሳደራት ብፈጸምቲ ጉዳያት ዝምራሕ'ዩ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cz9y4lrkr63o"} {"headline":"ሱዳን ናይ ምክፍፋል ሓደጋ ከጋጥማ ይኽእል'ዩ - መራሒ ዕጡቕ ጉጅለ","content":"እቲ ሕጂ ንሱዳን ዝመርሕ ዘሎ ወተሃደራዊ ጁንታ \"ንሰላማዊ ፍታሕ ድልው ስለዘይኮነ\" እታ ሃገር ከይትምቀል ስግኣት ከምዘሎ መራሒ ሓደ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ እታ ሃገር ገሊጹ። ሳሕቲ ቃለመሕትት ዘካይድ መራሒ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ሱዳን-ሰሜን (SPLA-North) ዓብደልዓዚዝ ኣል-ሂሉ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ኣብ ካርቱም ዘሎ መንግስቲ እንተዘይተቐይሩ፡ ጉጅልኡ ንናጽነት ዞባ ኑባ ምንቅስቓስ ክገብር ምዃኑ ኣጠንቂቑ ። ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ሱዳን-ሰሜን፡ ኣብ ደቡብ እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ኣኽራናት ኑባ ዝርከብ ሰፊሕ መሬት ከምኡ’ውን ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ንገለ ክፋል ሰማያዊ ናይል ተቆጻጺሩ ይርከብ። ዓብደልዓዚዝ ኣል-ሂሉ፡ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ ድልየቱ ኣብ ስልጣን ምጽናሕ ከምዝኾነ ይዛረብ። ንሱ፡ ጉጅልኡ \"ሓድነት ዝመርጽ\" ከምዝኾነ'ኳ እንተገለጸ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ነታ \"ምፍልላይ\"ን \"ወጽዓ\"ን ትመርጽ ዝበላ ናይ ቀደም ሱዳን ክዕቅባ እንተደልዩ ግን \"ናጽነት ክንመርጽ ኢና\" ክብል ኣጠንቂቑ። ማሕበረሰባት ኑባ ንዓሰርተታት ዓመታት ተገሊሎም ጸኒሖም እዮም። ተቐቲሎም፡ ተሳቒዮም፡ ካብ መሬቶም ተባሪሮምን ብሓይሊ ናብ እስልምና ተቐይሮምን። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን፡ ፖለቲካዊ ጉጅለታት ኣንጻር ሓይልታት ጸጥታ ሰላማውያን ሰባት ከለዓዕሉ ስለዝጸንሑ፡ ሰራዊት ኲናት ሓድሕድ ንምክልኻል ስጉምቲ ወሲዱ ብምባል ነቲ ሽዑ ዝነበረ መሰጋገሪ መንግስቲ ከምዝኣለዮ ይዝክር። እቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ዓለምለኻዊ ውግዘት ኣስዒቡ ነይሩ። ኣሜሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ኩሎም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ፖለቲካዊ መራሕቲ ብቕልጡፍ ክፍትሑ ጠሊቦም ነይሮም። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ’ውን፡ ሱዳን ሓንቲ ካብቶም ንኣፍሪቃን ኤስያን ዝጸልዉ ዘለዉ \"ለበዳ ዕልዋ መንግስቲ\" ዝራኣየላ ምዃና ብምግላጽ፡ \"ዓበይቲ ሓይልታት\" ዓለም ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣቢለን \"ውጽኢታዊ ምዕጋት\" ክትግብራ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝመርሐ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ \"ኲናት ሓድሕድ\" ንምክልኻል ስልጣን ከምዝሓዘ እዩ ዝምጉት። ጀነራል ኣልቡርሃን፡ ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ንምስግጋር ተወፋይነት ከምዘለዎ'ውን ወሲኹ ምሕባሩ ይዝከር። እንተኾነ ግን፡ ሰራዊት እታ ሃገር ክሳብ ሎሚ ስልጣን ብሒቱ ይርከብ። ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ፖለቲካውያን ሓይልታት ሱዳን ክፍተን ዝጸንሐ ልዝብ ዛጊት ነታ ሃገር ናብ ደሞክራስያዊ ምስግጋር ክወስዳ ኣይክኣለን ዘሎ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1217l85zro"} {"headline":"ሱዳን: ንገበናት ኲናት ዳርፉር ዝርእይ መጋባእያ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ክጅምር እዩ","content":"ቅድሚ 20 ዓመታት ኣብ ዳርፉር ሱዳን ንዝተፈጸመ ጥሕሰታት ዝምርምር መጋባእያ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ስርሑ ክጅምር እዩ። መራሒ ናይ'ቶም ደገፍቲ መንግስቲ ዝኾኑ ሚሊሻታት ጃንጃዊድ ዝነበረ ጥርጡር: 31 ክስታት ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ቀሪቡሉ ኣሎ። ዓሊ ሙሓማድ ዓሊ ዓብዳል-ራሕማን ግና ነቲ ክስታት ይነጽጎ። ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሱዳን ነቲ ሓድሽ ምዕባለ ታሪኻዊ ክብሉ ገሊጾምዎ። ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላት ሞሳድ ኣሕመድ ዓሊ \"እቲ ናይ ዘይተሓታትነት ዓንኬል ክሳዕ ዝስበር ቃልሶም ንዘየቋረጹ ንግዳያትን ኣብ ዳርፉር ካብቲ መጥቃዕቲ ንዝደሓኑን [ሰሉስ] ዓቢይ መዓልቲ እዩ\" ኢሉ። ወሲኹ'ውን \"እቲ ኣብ ልዕሊ ዓብዳል-ራሕማን ተኸፊቱ ዘሎ መስርሕ ፍርዲ ነቲ ብእኡን ንሱ ዝመርሖም፡ ብመንግስቲ ዝድገፉ ሚሊሻታት ጃነጃዊድን ዝተፈጸመ ከቢድ ጾታውን ካልእን ገበናት ዘቃልዕ ክኸውን ተስፋ ንገብር\" ኢሉ። እቲ ብዓሊ ኩሻይብ ዝፍለጥ ዓብደል-ራሕማን፡ ነቲ ልዕሊ 300,000 ሰባት ዘህለቐን ልዕሊ 2 ሚልዮን ካብ መንበሪኦም ዘመዛበለን ግጭት ብዝምልከት ኣብ መጋባእያ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ዝቐርብ ናይ ፈለማ ሰብ እዩ። ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር፡ ምስቲ ገበናት ብዝተኣሳሰር ዛጊት ኣብ ቀይዲ ኣይኣተወን። ኣብ 2019 ብዕልዋ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ ኣብ ቀይዲ ዝርከብ ኣልበሽር ብገበናት ኲናትን ምጽናት ዓሌትን ዝድለ እኳ እንተኾነ ነቲ ክስታት ኣይቕበሎን። ዓብደል-ራሕማን ን13 ዓመታት ክድለ ድሕሪ ምጽንሑ ኣብ 2020 እዩ ኢዱ ሂቡ። ንሱ ካብ ነሓሰ 2003 ክሳዕ መጋቢት 2004 ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ክልተ ከተማታት ዳርፉር ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕትታት ኢድ ከም ዘለዎ ይኽሰስ። ንሱን እቶም ዝእዝዞም ሚሊሻን ጾታዊ ዓመጽ፣ ምስቓይ፣ ቅትለትን ዝምታን ከምዝፈጸሙ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ይኸስስ። ዓብደል-ራሕማን ቅድሚ ሕጂ ናብ መጋባእያ ኣብ ዝቐረበሎም ኣጋጣሚታት ስሙ ምስ ናይ ካልእ ሰብ ተደናጊሩ ምህላው ምግላጹ ጸብጻባት ሮይተርስ ይሕብር። ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ኣብ ዳርፉር ኣዋፊርዎ ዝጸንሐ ዓቃብ ሰላም ሓይሊ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ድሕሪ ምስሓቡ ኣብቲ ከባቢ ግጭትታት እናወሰኸ ይመጽእ ምህላው ይግለጽ። ኣብቲ ዞባ ግጭት ፈለማ ዝተወልዐ ኣብ 2003 ኮይኑ፤ ከምዝተገለሉን ልምዓት ትሕተ ቅርጺ ከምዘይተገበረሎምን ዝገልጹ ኣዕራብ ዘይኮኑ ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣንጻር መንግስቲ ብረት ድሕሪ ምልዓሎም ዝሰዓበ እዩ። መንግስቲ ነቶም ብጃንጃዊድ ዝፍለጡ ብቐንዱ ኣዕራብ ዝኾኑ ሚሊሻታት ብምልዕዓል ነቶም ዕጡቓት ክዋግኡ ብምብጋስ እዩ ግብረመልሲ ሂቡ። እቲ ዝሰዓበ ጎንጺ ከኣ ዓለምለኻዊ ቁጥዐ ኣልዒሉ። ብኣማኢት ዝቑጸር ቁሸታት ክቃጸልን ክዝመትን እንከሎ፡ ኣብ ለዕሊ ሲቪላውያን ምጽናት ዓሌት ከምዝተፈጸመ ይግለጽ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60993593"} {"headline":"ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ካብ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክቑጠባ  ጸዊዑ","content":"ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ምስሕሓብ ዶብ ይጋድድ ኣብ ዘሎሉ እዋን፡ ሓላፊ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ‘ህድኣትን ዘተን’ ጸዊዑ። ሙሳፋቂ ማሃማት፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ክልቲአን ሃገራት ዝኾነ ዘይምርድዳእ ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሐኦ ይግባእ ኢሉ። ሰራዊት ሱዳን ኣብቲ ምስ ኢትዮጲያ ዘዳውብ ከባቢታት ደብዳብ ከቢድ ብረት ከም ዘካየደ ኣመሓደርትን ነበርትን እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም። ዝሓለፈ ሰሙን፡ ረቡዕ 16 ሰነ 2014 [ግእዝ] ተፈጢሩ ብዝተባህለ ግጭት፡ ሸውዓተ ወተሃደራትን ሓደ ሰላማዊ ሰብ ብሓይልታት ኢትዮጲያ ከም ዝተቐትሉ ብምግላጽ፡ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘስምዓቶ ክሲ እዩ ነቲ ወጥሪ ኣለዓዒልዎ። ነዚ ስዒቡ፡ ሰራዊት ሱዳን ብመዳፍዕን ሞርታራትን ካልኦት ከበድቲ ኣጽዋርን፡ ኣብቲ ከባቢ ደብዳብ ከም ዘካየደ፡ ኣመሓዳሪ ወረዳ ኣርማጭሆ ኣቶ ደላሰኝ ኣያና ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ቅድሚ ሕጂ ወተሃደራት ሱዳን ነቲ ከባቢ ብሓይሊ ኣብ ርእሲ ምሓዞም፡ ናብ ግዝኣት ኢትዮጲያ ብምእታው፡ ምስ ሚሊሻታት ከባቢ ብዝገበርዎ ግጭት ጉድኣት ከም ዝወረደ፡ እቲ ኣመሓዳሪ ኣተሓሒዙ ይገልጽ። ብሰኑይ ዝተኻየደ ደብዳብ ኣመና ጽዑቕ ምንባሩን፡ ክሳብ ሰሉስ ድሕሪ ቐትሪ’ውን እቲ ደብዳብ ከም ዝቐጸለ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብተወሳኺ ገሊጾም። መንግስቲ ሱዳን ግን፡ እቲ ግጭት ብሰንኪ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከም ዝተፈጸመን፡ ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ሱዳን ከም ዝተኸስተን ዝነግር መግለጺ እዩ ኣውጺኡ። ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ነቲ ሱዳናውያን ምሩኻት ኣብ ኣደባባይ ቀቲሉ ዝብል ብሱዳን ዝቐረበሉ ክሲ ብምንጻግ፡ እቲ ሰራዊት ኣብቲ ቦታ ግጭት ከምዘይነበረን፡ እቲ ክስተት ኣብ መንጐ’ቲ ግዝኣት ኢትዮጵያ ሰጊሩ ዝኣተወ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳንን ሚሊሻታት ከባቢን ዝተፈጥረ እዩ፡ ኢሉ። ኣቶ ደሳለኝ፡ እቲ ግጭት ዝተፈጥረ፡ ሰራዊት ሱዳን ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሓይሊ ዝሓዞን፡ መንግስቲ ድማ ብዘተ ክፍታሕ እዩ ዝበለሉን፡ 30 ሽሕ ሄክታር መሬት ሰጊሩ ንውሽጢ ኣብ ዝኣተወሉ ከም ዝተፈጥረ የነጽር። እቶም ንሱ፡ “ወተሃደራት ሱዳን እናመርሑ ዝመጽኡ ኣርባዕተ ተለኣኣኽቲ ህወሓት” ዝበሎም ሰባት ወሲኽካ ሸውዓተ ሰባት ከም ዝተቐትሉን፡ ብወገን ሚሊሻ ድማ ሓደ ሰብ ከም ዝሞተን ዝቘሰሉ ድማ ከም ዘለውን ይዛረብ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጲያ ነቲ ብሰኑይ ዝቐረበሉ ክሲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቲ ግጭት ዝተፈጥረ፡ ብደገፍ ህወሓት፡ ዶብ ሰጊሩ ብዝኣተወ ምዱብ ሰራዊት ሱዳን ዝተፈጥረ ግጭት እዩ ብምባል፡ ነቲ ክሲ ነጺግዎ እዩ። መራሕቲ ትግራይ ነዚ ብምንጻግ፡ መንግስቲ ኣንፈት ንምጥምዛዝ ዓሊሙ ንህወሓት ተሓታቲ ምግባር’ዩ ብምባል፡ ነቲ ተግባር ከም ዘይወዓሎ ይገልጽ። ኣብቲ ብሰሉስ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ነቲ ክሲ ብምንጻግ፡ ከምዚ ዓይነት ክሲ ምቕራቡ፡ እቲ ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ዝምራሕ መንግስቲ ንሰላም ዘለዎ ዕቱብነት ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ምዃኑ ኣሚቶም። ኣብ ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ብሰንኪ ዘይተፈትሐ ዘሎ ሕቶ ይግብኣኒ፡ ኣብ ክልቲኡ ወገን ብዘለው ዕጡቓት ሓይልታት ሓሓሊፉ ግጭት ከጋጥም ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እዚ ናይ ሕጂ ግን ንመዓልታት ዝቐጸለ ወጥሪ ኣስዒቡ ኣሎ። ብሰንኪ’ዚ ድማ ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ እቲ ግጭት ከይዓርግ ስግኣት ከም ዘለዎም ብምግላጽ፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ናብ ውሑስ ከባቢ ክግዕዙ ከም ዝሓስቡ ይገልጹ’ለው። በቲ ዝተኻየደ ደብዳብ፡ ኣብ ሰብ ዝወረደ ጉድኣት’ኳ እንተዘይሃለወ፡ ኣብ ግራውትን ሓፈሻዊ ቦታታት ሕርሻን ጉድኣት ከም ዘውረደ ግን፡ እቲ ኣመሓዳሪ ይገልጽ። ብሰንኪ’ዚ ብዝተፈጥረ ስግኣት፡ ነበርቲ ካብ ንቡር ዕዮ ማሕረስ ከም ዝበዀሩ ሓቢሮም። ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዝካየድ ዝነበረ ንግዳዊ ንጥፈታት ከም ዝተኣጓጐለን፡ እታ መሰጋገሪት ኰይና ዝጸንሐት ገላባት ዝተባህለት ቦታ’ውን ከም ዝተዓጽወት ኣመሓዳሪ ኣቶ ደሳለኝ ይገልጽ። እቲ ብማዕከናት ዜና፡ ኣብ መንጐ ወተሃደራት ክልቲአን ሃገራት፡ ኲናት ከም ዝተኻየደ ዝገልጽ ዜና ሓቅነት ከም ዘይብሉ ዝገለጸ ኣቶ ደሳለኝ፡ እቲ ዝኸውን ዘሎ ብወገን ሱዳን ዝግበር ዘሎ ደብዳብ ከቢድ ብረት ጥራይ እዩ ኢሉ። ብኻልእ ሸነኽ ወሃቢ ቓል ሓይልታት ሱዳን፡ ሰራዊት ሱዳን ዶብ ሰጊሩ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመን ወተሃደራት ኢትዮጵያ ከም ዝማረኸን ዝገልጽ ዜና ቅኑዕ ከም ዘይኰነ ገሊጹ’ሎ። ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ምብራቓዊ ግዝኣት’ታ ሃገር ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ሰራዊትን ነበርትን እቲ ከባቢ ከም ዝተዘራረበ፡ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ገሊጹ። ድሕሪ’ቲ ኣብ ትግራይ ሰሜን ኢትዮጲያ ዝተወልዐ ኲናት፡ ወተሃደራት ሱዳን ነቶም ኣከራኸርቲ ኰይኖም ዝጸንሑ ቦታታት ብሓይሊ ከም ዝሓዙን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ሱዳን ወተሃደራታ ከተውጽእን እቲ ጉዳይ ብዝርርብ ክፍታሕን ክትሓትት ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ። ብመሰረት ሓበሬታ ኣመሓዳሪ ኣቶ ደሳለኝ፡ ስናር፡ ገላሉባን፡ ጐረደም፡ ልዕላይን ታሕታይን ኣቦጠር፡ ከምኡ’ውን ሰላም በር ዝተባህሉ ቦታታት ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ሱዳን ኣትዮም ጸኒሖም ኣለው።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cllj11e3gzqo"} {"headline":"ሱዳን፡ ህላወ ሩስያውያን ዕሱባት ወተሃደራት ነጺጋ","content":"ሱዳን፡ ህላወ ሩስያዊ ብሕታዊ ወተሃደራዊ ትካል ኣብ ሃገራ ነጺጋ። እዚ፡ ነቲ ብወከልቲ ብሪጣንያ፡ ኣመሪካን ኖርወይን፡ 'ኣባላት ዋግነር ግሩፕ ኣብ ወፍሪ ምዝባዕ ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ መድያን፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ዕደና ወርቅን ኣብ ሱዳን ተጸሚዶም ኣለው፡' ዝብል ሓባራዊ መግለጺ ዝሰዓበ ምላሽ እዩ። \"መንግስቲ ሱዳን ነዚ ጸብጻብ ብምሉኡ ክነጽጐ ይደሊ፡\" ይብል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን። ምዕራባውያን ዲፕሎማሰኛታት ንሱዳን ናብቲ ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ክእትውዋ ይደልዩ ኣለው ብምባል ሰበስልጣን ሱዳን ይኸሱ። ምኽትል ጀነራል ኣብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ኰይኑ ዝሰርሕ ዘሎ፡ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን [ሕሜቲ] ዳጋሎ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሩስያ ምብጻሕ ኣካይዱ ከም ዝነበረ ይዝከር። ሩስያውያን ዕሱባት ኣብ ማእከላይ ሪፑብሊክ ኣፍሪቃ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብምፍጻም ክኽሰሱ ጸኒሖም እዮም። ምዕራባውያን ሃገራት፡ ዕሱባት 'ዋግነር' ኣብ ማሊ ተዋፊሮም ምንባሮም ይገልጻ። እዚ ወተሃደራዊ ጕጅለ፡ ኣብ ሊብያ ኣንጻር 'ቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ንዝቃለስ ዘሎ ሓይሊ ዓለወኛ ጀነራል ኸሊፋ ሓፍተር ዝድግፉ ኣሽሓት ተዋጋእቲ ኣለውዎ። ወተሃደራውያን መራሕቲ ሱዳን፡ ካብ ዘመነ-ስልጣን 'ቲ ኣብ ሚያዝያ 2019 ብህዝባዊ ናዕቢ ዝተዓልወ ጀነራል ዑመር ኣልበሽር ኣትሒዞም ምስ ሩስያ ጥቡቕ ዝምድና ጸኒሕዎም እዩ። ኣልበሽር፡ ኣብ 2017 ኣብ 'ሲቺ ሪዞርት' ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ካብ \"ተጻባኢ ተግባራት ኣሜሪካ\" ክለላ ሩስያ ከም ዝደሊ ሓቲቱ ነይሩ። ዋግነር እዚ ኣዝዩ ሓደገኛን ምስጢራዊ ዝኾነ ጉጅለ፡ ኣብ 2014 ነቶም ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ኣብ ዝነበረ ግጭት ነቶም ክንጸሉ ዝደልዩ ሩስያውያን ጕጅለ ኣብ ዝድግፈሉ ዝነበረሉ እዋን’ዩ ንፈለማ ግዜ ተለልዩ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ከኣ፡ ኣብ ሶርያ፡ ሞዛምቢክ፡ ሱዳን፡ ሊብያን ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ኣብ ዝርከባ ሃገራት ይሳተፍ ኣሎ ተባሂሉ ይኽሰስ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60847020"} {"headline":"ሱዳን፡ ኣንጻር ወተሃደራዊ ዕልዋ ብምቅዋሞም ተኣሲሮም ዝጸንሑ እሱራት ተፈቲሖም","content":"ሰብመዚ ሱዳን፡ ምስቲ ኣንጻር ወተሃደራዊ ዕልዋ ክካየድ ዝጸንሐ ህዝባዊ ተቓውሞታት ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝጸንሑ 125 እሱራት ፖለቲካ ከምዝፈትሑ ተፈሊጡ። ወተሃደራዊ መራሒ እታ ሃገር ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን፡ ኣብታ ሃገር ተኣዊጁ ዝጸንሐ ህጹጽ እዋን ብሰንበት ምልዓሉ ይዝከር። እቶም ዝተፈትሑ፡ መራሕቲ ናይቲ ብ'ረሲስታንስ ኮሚቲታት' (ሽማገለታት ተቓውሞ) ዝፍለጥ፡ ኣንጻር ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተፈጸመ ወተሃደራዊ ዕልዋ ዝካየድ ዝነበረ ህዝባዊ ተቓውሞታት ምዃኖም፡ ጠበቓታት ናይቲ ጉጅለ ብምጥቃስ ሱዳን ትሪቡን ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ። እቶም ተፈቲሖም ዘለዉ እሱራት ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ርእሰከተማ ካርቱም፡ ወደባዊት ከተማ ፖርት ሱዳን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ደቡባዊ-ምብራቕ እትርከብ ከተማ ራባክ ተታሒዞም ዝጸንሑ'ዮም። እቶም ህዝባውያን ሽማገለታት ተቓውሞ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣንጻር እቲ ብቐዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝምራሕ ንዝነበረ ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ብምውጋድ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ሰራዊት እታ ሃገር ህዝባዊ ናዕቢ ከወሃህዱ ዝጸንሑ'ዮም። እቲ ዕልዋ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ካብ ዝካየድ ኣትሒዙ፡ ሱዳናውያን ን7 ኣዋርሕ ኣብ ጎደናታት እታ ሃገር ብምውጻእ ኣዘዝቲ ሰራዊት ስልጣን ንሲቪላዊ ምምሕዳር ከረክቡ ክጠልቡ ጸኒሖም ኣለዉ። ምልዓል ኣዋጅ ህጹጽ እዋንን ምፍታሕ ናይቶም መራሕቲ ተቓውሞ ዝኾኑ ጉጅለታትን፡ ኣብ መንጎ ወተሃደራውያን መራሕቲን ተቓወምቲ ጉጅለታትን ቀጥታዊ ልዝብ ንክጅመር መንገዲ ዝጸርግ ክኸውን ትጽቢት ይግበር። ዋላ'ኳ ገለ ወገናት ከይሳተፉ እንተወሰኑ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት ዝተጀመረ ተበግሶ ልዝብ ይቕጽል ምህላዉ ይዝረብ። ሰራዊት ሱዳን፡ ንመሰጋገሪ መንግስቲ'ታ ሃገር ኣፍሪሱ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ንዝርከቦም ሲቪላውያን መራሕቲ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ብምእታውን ነቲ ቤት ምኽሪ ብምፍራስን ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ከም ዝኣወጀ ይዝከር። እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ብዝተኻየደ ዕልዋ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ሕዩር ገዛ ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ዓብደላ ሓምዶክ፡ ካብ ማሕዩር ተፈቲሑ ብ 20 ሕዳር 2021 ናብ ስልጣኑ'ኳ እንተተመልሰ፡ ብሰንኪ ዝቐጸለ ህዝባዊ ጸቕጢ ኣብ ፈለማ ጥሪ ናይዚ ዓመት'ዚ፡ ስልጣኑ ከም ዝለቐቐ ይዝከር። ሱዳን፡ ፕረዚደንት ነበር ዖማር ኣል-በሺር ብህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ ሚያዝያ 2019 ካብ ስልጣኑ ካብ ዝእለ ጀሚራ ኣብ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣትያ ትርከብ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61650744"} {"headline":"ቅልውላዉ ሱዳን፡ ኤርትራ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቅልውላው ሱዳን ንምፍታሕ 'ተበግሶ' ኣቕሪባ","content":"መንግስቲ ኤርትራ ንውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቅልውላው ሱዳን ንምፍታሕ ዝሕግዝ \"ተበግሶ\" ከምዘቕረበ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሓቢሩ። እቲ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከምዝተበገሰ ዝተገልጸ መርገጺ፡ ንርእይቶ ኩሎም ሓይልታት ሱዳን ዘንጸባርቕ'ዩ ክብል ሱና ጠቒሱ። ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ልኡኽ ትማሊ ምስ ኣባል ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሌ\/ጀነራል ሸምስ ኣል-ዲን ካባሺ ኣብ ዝተራኸበሉ ብዛዕባ'ቲ ተበግሶ ከምዝተዘራረበ እቲ ሓበሬታ የረድእ። \"ጀነራል ካባሺ ንጸጥታን ምርግጋእን [ሱዳን] ዘሐይልን ንፖለቲካዊ ቅልውላው ዝፈትሕን ኩሉ ተበግሶታት\" ብሓጎስ ከምዝቕበልዎ ከምዝገለጸ'ውን ጸብጻብ ሱና ጠቒሱ'ሎ። እንተኾነ ግን እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ'ቲ \"ተበግሶ\" ዝኾነ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን። ኤርትራ'ውን ብወገና ብዛዕባ'ቲ ዝተባህለ \"ተበግሶ\" ብወግዒ ዝሃበቶ መግለጺ የለን። ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብርኣብ ዝርከቦ ልኡኽ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ካርቱም ብምኻድ ምስቶም ብዕልዋ ስልጣን ጨቢጦም ዘለዉ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝርከብዎም ሰብመዚ ሱዳን ተራኺቡ ነይሩ'ዮ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ሰራዊት ሱዳን፡ ነቲ ብሲቪላዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝምራሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ብምፍራስ ስልጣን ጠቕሊሉ ኣብ ኢዱ ድሕሪ ምእታዉ፡ እታ ሃገር ኣብ ዝኸፍአ ፖለቲካዊ ቅልውላዉ ተሸሚማ ትርከብ። እቶም ብቐደሙ'ውን ብልፍንቲ ሲቪላውያንን ወተሃደራውያንን መራሕቲ ዘይቀሰኑ ብዙሓት ሱዳናውያን ንኣዋርሕ ህዝባዊ ተቓውሞታቶም ከስምዑ ጸኒሖም ኣለዉ። ኣብቲ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ናዕብታት ሓያሎ ሱዳናውያን ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተቐትሉ ይግለጽ። ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ዝርከብኦም ሓያሎ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ንጎነጻዊ ግብረመልሲ ሓይልታት ጸጥታ ብምኹናን ስልጣን ንሲቪላዊ መንግስቲ ከረክቡ ጸቕጥታት ክገብራ ምጽንሐን ይፍለጥ። ወተሃደራውያን መራሕቲ ሱዳን፡ ነቲ ብመሰረት ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ሃገራዊ ምርጫ ብምክያድ ስልጣን ናብቲ ብህዝቢ ዝምረጽ መንግስቲ ከምዘረክቡ'ኳ ቃል እንተ ኣተዉ፡ ኣብ ዝተመደበሉ እዋን ክካየድ ዝኽእል እንተኾይኑ ንጹር ኣይኮነን ዘሎ። ብወተሃደራዊ ዕልዋ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ ድሕሪ ሽዱሽተ ሰሙናት ናብ መዝነቱ ተመሊሱ ዝነበረ ሓምዶክ ካብ ስልጣን ንምውራድ ብምውሳኑ መንግስቲ ሱዳን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ክኸውን ገይሩ’ሎ። እቲ ሰራዊት ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ ዕልዋ መንግስቲ ብምፍጻም ንሲቪላውያን መራሕቲ ድሕሪ ምብታኑ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን እኳ እንተኣወጀ ነቲ ህዝባዊ ተቓውሞታት ክገትኦ ኣይከኣለን። ቀንዲ ጠለባት እቲ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ እቲ ሰራዊት ስልጣን ንሲቪላዊ ምምሕዳር ከረክብን ካብ መሪሕነት ክእለን ዝብል ምዃኑ ኣወሃሃድቲ እቲ ሰልፍታት ይገልጹ። ኤርትራ ነቲ ኣብ ሚያዝያ 2019 ንፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣል-በሽር ካብ ስልጣኑ ዝኣለየ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ወተሃደራዊ ዕልዋን ደጊፋ ገሊጻ ምንባራ ይዝከር።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61144905"} {"headline":"ሰራዊት ሱዳን ንስቪላዊ ምምሕዳር ባይታ ከጣጥሕ’ዩ - ኣልቡርሃን","content":"ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ሰራዊት እታ ሃገር ስልጣን ናብ ስቪላዊ ምምሕዳር ንኽምለስ ባይታ ከም ዘመቻችእ ተዛሪቡ። ንሱ ብተሌቪዥን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ሰራዊት ኣብታ ሃገር ንዝግበር ዲሞክራሲያዊ ምስግጋር ዕንቅፋት ከምዘይከውንን፡ ኣብ መጻኢ ንዝግበር ምርጫ ንምሕጋዝ ድልውነት ከም ዘለዎን ሓቢሩ። ደሕሪ ሕጂ፡ ፖለቲካዊ ቅልውላው እታ ሃገር ንኸብቅዕ ብሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ዝካየዱ ዝርርባት፡ እቲ ሰራዊት ጣልቃ ከም ዘይኣቱ'ውን ገሊጹ። እንተዀነ፡ ጀነራል ቡርሃን እቲ መሰጋገሪ እዋን መዓስ ከም ዘብቅዕ ዘነጽር ደረት ግዜ ኣየቐመጠን። ሰራዊት ሱዳን፡ ደገፍቲ ዲሞክራሲ ዝዀኑ ሱዳናውያን ከካይድዎ ብዝጸንሑ ቀጻሊ ሰልፊታት ተቓውሞ፡ ኣብ ሓያል ወጥሪ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ብቐዳማይ ሚኒስትር ዓብደላ ሓምዶክ ዝምራሕ ዝነበረ ሲቪላዊ መንግስቲ ብዕልዋ ምስ ተኣልየ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ምሉእ ስልጣን ከም ዝተቘጻጸረ ይዝከር። ጀነራል ቡርሃን፡ ቅድም ኢሉ’ውን ዲሞክራሲያዊ ምስግጋር ንኽህሉ ውፍይነት ከም ዘለዎ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ። ብኻልእ ወገን ሰብ መዚ እታ ሃገር፡ ብ30 ሰነ ኣብ ዝተኻየዱ ሰልፍታት ተቓውሞ ተኣሲሮም ንዝነበሩ 145 ተሓለቕቲ ፈቲሖም። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ድሕሪ ዝተፈጸመ ወተሃደራዊ ዕልዋ፡ ልዕሊ 100 ሰባት ከም ዝሞቱ ይግለጽ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cy0y139zz22o"} {"headline":"ተበግሶ ቻይና ኣብ ምርግጋእ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብልጫታቱን","content":"ቻይና፡ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርግጋእ፡ ጸጥታዊ ብድሆታትን ግጭታትን ንምፍታሕ ዝዓለመ ዋዕላ ሃገራት ናይቲ ዞባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣካይዳ። ኣብቲ ባዕላ ዘስራሓቶ ህንጻ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ካብ 20 ክሳብ 21 ሰነ ዝተጋብአ “ቀዳማይ ዋዕላ ብቝዕ ምሕደራን ልምዓትን ቻይና-ቀርኒ ኣፍሪቃ” ዝተሰምየ ኣኼባ፡ ወከልቲ ቻይና፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ኬንያ፡ ዩጋንዳ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ጂቡቲን ሶማልያን ተሳቲፎም ነይሮም። ኤርትራ ኣብቲ ዋዕላ ዘይምስታፋ ግን ንብዙሓት ተዓዘብቲ ግር ዘበለ ፍጻመ ኰይኑ’ሎ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ምስ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን፡ ኤርትራ ኣብቲ ብቻይና ዝዳሎ ዋዕላ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትሳተፍ ምዃና ቃል ኣትዩ ነይሩ’ዩ። ስለ ምንታይ ክትሳተፍ ከም ዘይደለየት’ኳ ብንጹር እንተዘይተፈልጠ፡ ምትእትታው ምዕራባውያን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገራት ናይቲ ዞባ ኣትሪራ ክትቃወሞ ምጽንሓ ይፍለጥ። ኣብቲ ፈላሚ ኣኼባ ቻይናን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝተሳተፉ ወከልቲ ሃገራት፡ ምክትል ሚኒስተራት፡ ኣምባሳደራት፡ ታሕተዎት ሚኒስተራት (ዲኤታ) ምንባሮም ኣብቲ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ ተጠቒሱ’ሎ። ብወገን ቻይና ድማ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዡ ቢንግ ተሳቲፉ። ኣብቲ 12 ነጥብታት ዝሓዘ ሰነድ፡ “ንዘላቒ ሰላም፡ ተኵሲ ዝሃድኣላ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምህናጽ” ዘለዎም ራእይ ከም ዘረጋገጹን ብምግላጽ፡ “ሰላምን ጸጥታን ናይቲ ዞባ ንምውሓስ ብሓባር ክሰርሑ” ከም ዝተረዳድኡ የመልክት። “ተሳተፍቲ ወገናት ዘለዎም ፖለቲካዊ ምትእምማን ንምስሳን፡ ኣብ መንጐ ሃገራት ናይቲ ዞባ ዘሎ ርክባት ንምምሕያሽን ዝለዓለ ደረጃ ጽምዶን ምሕያልን ኣብ ኵሉ ደረጃታት ልዝብ ምክያድን ድሉዋት” ምዃኖም ኣብ መግለጺኦም ሓቢሮም ኣለዉ። እቲ “ዝለዓለ ደረጃ ጽምዶ” መዓስን ብደረጃ መንን ከምዝካየድ ግን እቶም ተሳተፍቲ ኣየነጸሩን። ኵለን ተሳተፍቲ ሃገራት ኣባላት ናይቲ “ድኹም” ተባሂሉ ዝግለጽ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ምዃነን ይፍለጥ። “ዲሞክራሲ፡ ሃገራዊ ሰላም፡ ምርግጋእን ልምዓትን ኣብ ምምጻእ ዓቢ ኣበርክቶ ከም ዘለዎ ኵላትና ንፈልጥ ኢና። ኵሎም ዜጋታት ሃገራት 'ዚ ከባቢ፡ ጾታ፡ ዓሌት ወይ ፖለቲካዊ መርገጽ ብዘየገድስ ዲሞክራሲ ንምርግጋጽ ክከኣል ምእንቲ፡ ተሳትፎኦም ኣብ ፖለቲካ ንምሕያል ክጣበቑ ተሰማሚዖም” ኢሉ። ቻይና ብወገና፡ ኣብ ጥዕና፡ ድኽነት ንምንካይ ዝካየድ ሕርሻዊ ልምዓት፡ ንግዲ፡ ወፍሪ፡ ትሕተ-ቅርጺ፡ ሓምለዋይ ልምዓትን ጸጥታን ኣብ ዝኣመሰሉ ዓውድታት ምስተን ሃገራት ከተካይዶ ዝጸንሐት ምትሕግጋዝ ከተዕምቘ ቃል ኣትያ’ላ። ኣብ ዙርያ እቲ (“Two Axes Plus Two Coasts”) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምህናጽ ትሕተ ቅርጺ ወደባትን መስመራትን (ጂቡቲ-ኣዲስ ኣበባ ከምኡ’ውን ሞምባሳ-ናይሮቢ) ንዝግበር ጻዕርታት ክትድግፎ ምዃና’ውን ቻይና ገሊጻ’ላ። ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ግጭታት ንምፍታሕ ይዅን፡ ነቲ ኣብቲ ዞባ ንዘሎ ዘይምርግጋእ ንምህዳእ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ዞባዊ ውድብ ኢጋድን ከካይድዎም ዝጸንሑ ተበግሶታት መሰረታዊ ፍታሕ ከምጽኡ ኣይክኣሉን። እቲ ኣብ ፈለማ ጸግዒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝወሰደ ዝንገረሉ ዝነበረ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንኲናት ትግራይ ንምፍታሕ፡ ንፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ ፍሉይ ወኪል ገይሩ ድሕሪ ምምዛዙ፡ ናብ መቐለን ኣዲስ ኣበባን ብምምልላስ ክላዘብ ምጽንሑ ይፍለጥ። ኦባሳንጆ፡ እቲ መስርሕ “ተስፋ” ከም ዘለዎ ኣብዚ ቀረባ እዋን ተዛሪቡ ነይሩ። ብኣመሪካ ዝምራሕ ፈተነታት ምዕራባውያን ሃገራት’ውን፡ እንተኾነ ዛጊት ኣብ ኢትዮጵያ ይዅን ኣብቲ ዞባ ብሓፈሻ ነባሪ ሰላምን ጸጥታን ከረጋግጽ ኣይክኣለን። ኣመሪካ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ንምህዳእ፡ ከምኡ’ውን ንውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቅልውላው ሱዳን ንምፍታሕ ክሳብ ሕጂ ሰለስተ ፍሉያት ልኡኻት መዚዛ’ላ። እንተዀነ፡ ደማዊ ኲናት ትግራይ ብዝምልከት ብተናጸል ዝተኻየደ ተነቃፊ ምቁራጽ ተጻብኦታት እንተዘይኮይኑ፡ ሓደጋ ዳግማይ ውግእ ጠቕሊሉ ከወግድ ዝኽእል ስምምዕ ኣይተፈረመን። ምስ ኬንያ ብምትሕብባር ተጻረርቲ ወገናት ናይቲ ኲናት ዘተ ሰላም ዘካይድሉ ምርድዳእ ተበጺሑ’ኳ እንተሃለወ፡ ናበይ ከምርሕ’ዩ ብሕጂ ዝረአ’ዩ ክኸውን። መራሕቲ ትግራይ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዛተዩ ድሉዋት ምዃኖምን፡ ሓደ ላዕለዋይ ልኡኽ ከምዝሰዱ ኣፍሊጦም ኣለዉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ኣብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቤት ምኽሪ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኲናት ትግራይ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዝከታተልን ዝላዘብን ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮነን ዝምራሕ ኮሚቴ ቈይሙ ከም ዘሎን ተዛሪቡ ኣሎ። ኵነታት ሱዳን'ውን እንተኾነ፡ ዋላ’ኳ ህዝቢ’ታ ሃገር ኣብ ሚያዝያ 2019 ንስርዓት ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣል-በሽር ብናዕቢ ካብ ስልጣኑ እንተኣለዮ፡ ናብ ዲሞክራሲ ንምስግጋራ ዝጀመረ ፓለቲካዊ መስርሕ ብወተሃደራዊ ዕልዋ በርዒኑ፡ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር ሰራዊት ትርከብ ኣላ። ኣብ ጉዳይ ዝምድና ቻይናን ሱዳንን መጽናዕቱ ዘካየደን ናይ ዶክትረይት ትምህርቱ ዝቕጽል ዘሎን፡ ክኢላ ዓለምለኻዊ ርክባት ኣቶ ተስፋኣለም ሃብተ፡ ከምዝብሎ፡ ዋላ’ኳ ሰላምን ምርግጋእን ናይቲ ዞባ ብቐንዱ ብውሽጣዊ ረቛሒታት ዝውሰን እንተዀነ፡ ተኣማንነት መንጐኛታት ወጻኢ ኣገዳሲ ምዃኑ ይዛረብ። “ኣመሪካ ከምዘይሻራዊት ኣቃራራቢት ኮይና ክትረኣ ዘለዋ ተኽእሎታት ትሕት ዝበለ ኮይኑ ይስመዓኒ” ይብል። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኤርትራን ኢትዮጵያን ነታ ምስ ለውጢ ምምሕዳራታ ዝቀያየር ፖሊሲ ወጻኢ ዘለዋ ኣመሪካ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ፖሊሲታት ክነቕፋ ጸኒሐን’የን። እታ ብዙሕ ተበግሶታት ሰላም ክትወስድ እትርአ ኣመሪካ፡ ኣብቲ ዞባ ቅልውላዋት ኣብ ምፍጣር’ውን ኣበርክቶ ከምዘለዋን፡ ንተራኣ ከምዝሓላልኾን’ዩ ኣቶ ተስፋኣለም ዝገልጽ። እታ ኣብ ጂቡቲ፡ ነቲ ዞባ ዝከታተል ወተሃደራዊ መዓስከር ዘለዋ ኣመሪካ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ወተሃደራታ ናብታ ክሳብ ሎሚ ምርግጋእን ጸጥታዊ ውሕስነትን ከትፈጥር ዘይክኣለት ሶማልያ ክትሰድድ ምዃና ኣፍሊጣ ነይራ። እዚ ምትእትታው እዚ ካብቲ ስንብራት ዝገደፈ ናይ ፈለማ 1990ታት ወተሃደራዊ ፍሽለት ኣመሪካ ዝተፈለየ ውጺት ዝህልዎ እንተኾይኑ፡ ኣብ መጻኢ ዝረአ ክኸውን’ዩ። ፖለቲካዊ ቅልውላው ሶማልያ ብምርጫ ሓድሽ ፕረዚደንትን ድሕሪ ነዊሕ ዝወሰደ ምትፍናን ሰላማዊ ምስግጋር ንግዚኡ ሃዲኡ’ኳ እንተሎ፡ ብናይ ወጻኢ ሓይሊታት ዝሕሎ ንመጥቃዕትታት እስላማዊ ጕጅለ ኣል-ሸባብ ክብድህ ዘይክእል መንግስቲ’ዩ ዘሎ። ብመንጽር ናይዚ ክርአ እንከሎ፡ እታ “ግብራውን ዘወሃሃድን” ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ከምእትኽተል ዝንገረላ ቻይና፡ ሃጓፍ ኣብ ዝረኸበትሉ እዋንን ቦታን ኢዳ ከምእተእቱ’ዮም ተንተንቲ ዝገልጹ። ኣብ ሱዳን ዝተኸተለቶ ፖሊሲ ከም ኣብነት ዝጠቅስ ኣቶ ተስፋኣለም፡ ኣብ ከባቢ 2003 ኣቢሉ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ስርዓት ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣል-በሽር ብጉዳይ “ምጽናት ዓሌት” ዳርፉር ተኸሲሱ ግዳይ እገዳን ተነጽሎን ምስ ኮነ፡ ቻይና ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዘለዋ ቦታ ተጠቒማ ዲፕሎማስያዊ ከውሊ ገይራትሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ሸይጣትሉ፡ ካብኡ ሓሊፋ’ውን ኣብታ ሃገር ወፍርታታ ከተስፍሕ ጀሚራ። ደቡብ ሱዳን ናጽነታ ምስ ረኸበትን፡ 75 ሚእታዊት ናይቲ ሱዳን ትረኽቦ ዝነበረት ምስተዋህባን ግን፡ ተገዳስነት ቻይና ኣብ ሱዳን ላሕሊሑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊኣ ጸቕጥታት ከተካይድ ጀሚራ። ኣብ ክሊ እዚ ድማ’ያ ፍሉይ ልኡኽ ብምምዛዝ፡ ገና ናይ ኣመሪካን መሻርኽታን ተበግሶታት ዘገም እናለ እንከሎ “ቻይና ዲፕሎማስያዊ ኣገዳስነታ ንምርግጋጽ ትጸቓቐጥ ኣላ ክንብል ንኽእል” ይብል ተስፋኣለም። “እዚ ቻይና ወሲዳቶ ዘላ ተበግሶ ብኣወንታዊ ዓይኒ ክርአ ዝኽእል ኰይኑ እስመዓኒ። ክሳብ ክንደይ ዕውት ይኸውን ዝበል ሕቶ ንምርኣይ ግን ብልክዕ ተታሒዞም ዘለዉ ተበግሶታት\/እማመታት ሰላም እንታይ ይመስሉ? መን`ዮም`ከ ተዋሳእቱ ዝብል ሕቶ ምርኣይ ዘድሊ እመስለኒ። “ንኣብነት ተራ ኤርትራ፡ ኣዕናዊ ዋላ`ኳ እንተኾነ፡ ኣብቲ ዞባ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ብኩራታ ኣብዚ ዋዕላ ኣቕሊልካ ዝረኣ ኣይኮነን” ድማ ይብል። ሉኣላውነት ሃገራት ክኽበርን ኣብ ውሻጣዊ ጉዳያት ሃገራት ጣልቃ ዘይምእታው ዝብል ፖሊሲ ወጻኢ ስለእትኽተልን፡ ከምኡ’ውን ንእትህቦ ልምዓታዊ ደገፍን ልቓሕን ወይ ንግዳዊ ሽርክነት፡ “ዘይቅድመ-ኵነታዊ” ብምዃኑን ተበግሶ ቻይና ብልጫ ኣለዎ ክብሃል ከምዝክኣል ተንተንቲ ይሰማምዑሉ። እንተዀነ፡ ገለ ምዕራባውያን ሃገራትን ተሓለቕቲ ሰባዊ መሰላትን፡ ቻይና ብውልቀመለኽትን ብገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ዝኽሰሱ ከይተረፈ ምስራሓ ክነቕፉ ይስምዑ። ንምዕባለታት እቲ ዞባ ብቐረባ ካብ ዝከታተሉ ሓደ ዝኾነ ዶ\/ር መብራህቱ ኣተወብርሃን ከምዝብሎ፡ ምዕራባውያን ሃገራት’ውን ንረብሐን ብምቕዳም ንጸጋታት ድኻታት ሃገራት ብምግሓጥ ምስ መለኽቲ ስርዓታት ክማሓዘዋ ዝጸንሓ ስለዝዀና፡ ንቻይና ክወራዘያላ ከምዘይክእላ’ዩ ዝምጉት። “በዚ መንጽር እዚ ክረአ እንከሎ፡ ኣካይዳ ቻይና ናይተን ምዕራባውያን ኣካይዳን ፍልልይ ዘለዎ ኣይኮነን” ሓደ ፍሉይ ዝገብሮ ነገር፡ ቻይና ነቲ ብ'በልት ኤንድ ሮድ' (Belt and Road) ዝፍለጥ ዓለምለኻዊ ተበግሶኣ ንምህናጽ ትሕተ-ቅርጺን፡ ምስተን ኣብቲ ዞባ ተመሳሳሊ ተበግሶታት ዝወስዱ ዘለዉ ወገናት (ኣመሪካ፡ ኣውሮጳን ሩስያን) ንምውድዳር ኣብ ግምት ብምእታው ተካይዶ ከምዘላ ይገልጽ፡ ዶ\/ር መብራህቱ። እቲ ካልእ ብልጫ ተበግሶታት ቻይና፡ “ንነብሳ ኵሉ ግዜ ከም ኣካል ናይተን ግዳይ መግዛእትን ዳግመ-መግዛእትን (colonialism and neo-colonialism) ዝዀና ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ገይራ ብምቕራብ (እዚ ሓቂ ኰይኑ) ኵሉ ግዜ ኣብ ሓባራዊ ቃልሲ ኣንጻር ዳግመ-ሃጸይነት ከም ዘላ`ያ ትርአ። እዚ ድማ እምንቲ ኣቃራራቢት ኰይና ንኽትረአ ተወሳኺ ጸጋ ኮይኑ ይስመዓኒ” ይብል ተስፋኣለም። እዞም ብልጫታት እዚኦም ኣብዚ ኣራግጽ ሓይልታት ወጻኢ ዝበዝሖ ዘይርጉእ ዞባ፡ ክሳብ ክንደይን ክዕወቱ’ዮም ግዜ ዝፈርዶ ክኸውን’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት 30 ዓመታት ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያውን ቁጠባውን ዝምድናታትን ሽርክነትን እናሓየለ መጺኡ’ሎ። እቲ ምትእስሳር፡ ክሳብ ሕጂ ብቐንዱ ኣብ ንግዲ፡ ምምዕባል ትሕተ-ቅርጺታትን ልቓሕን ዝተሞርኮሰ’ዩ። መብዛሕትኡ እቲ ቻይና ዝሃበቶ ልቓሕ ዓበይቲ ጽርግያታት፡ መንገዲ ባቡርን ወደባትን ብምስራሕ፡ ኣብ ጸዓትን ኢንዱስትሪን ወፍሪ ብምግባርን 'ቤልት ኤንድ ሮድ ኢንሸቲቭ' ብዝብል ዝወሃብ ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ። ኣፍሪቃ ንመንግስታውን ብሕታውን ትካላት ቻይና፡ ከም ዕዳጋን ምንጪ ባህርያዊ ጸጋታትን ኰይና ትርከብ። ብዙሓት ኩባንያታት ቻይና ኣብ ዕደና ተዋፊረን ይርከባ። ቀንዲ ንግዳዊ መሻርኽቲ ኣፍሪቃ’ውን ቻይና እያ። ቻይና፡ ካብታ ሃገር ወጻኢ ዝሃነጸቶ እንኮ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣብ ጂቡቲ ምህናጹ’ውን፡ ኣብ ኣፍሪቃን ጐዶቦታቱን ዘለዋ ጂኦፖለቲካዊ ተገዳስነትን ጥሙሕን ዘመልክት’ዩ። ኣብ ዝሓለፉ ልዕሊ 10 ዓመታት፡ ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትእስሳር እናዓበየን እናሰፈሐን’ዩ ክመጽእ ጸኒሑ። ብመሰረት ጸብጻብ ኣመሪካዊ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ፡ ዝበዝሐ ዕዳ ቻይና ካብ ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትስራዕ። ክሳብ 2019 ኣብ ዝነበረ እዋን ጥራይ ኢትዮጵያ ኣስታት 14 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ቻይና ኣዋህሊላ ነይራ። ኣንጎላ 42.8 ቢልዮን ዶላር ካብ ቻይና ብምውሳድ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ። ኬንያ ድማ ብ 9.8 ቢልዮን ኣብ ሳልሳይ ትርከብ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፡ እቲ ልዑል ወለድ ከምዘለዎ ዝንገረሉ ዕዳ ዝኽፈለሉ ገደብ ግዜ ክናዋሕን ወለድ ናይቲ ክሳብ 2018 ዝተዋህለለ ዕዳ ክስረዝን ምስ ቻይና ስምምዕ ተገይሩ። ብዘይካ’ዚ፡ ትካላት ህንጻ ቻይና ኣብ ምምዕባል ትሕተ-ቅርጺ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ተሳታፍነት’ዩ ጸኒሕወን። ናብ ጂቡቲ ዝኣቱ መስመር ባቡር ይዅን ኣብ ውሽጢ ኣዲስ ኣበባ ዝተሃንጸ መስመራት ባቡር ብኩባንያታት ህንጻ ቻይና’ዮም ተሰሪሖም። ኣብ ምምዕባል ትሕተ-ቅርጺ ኣገልግሎት ተሌፎን’ውን እንተዀነ፡ ትካላት ቻይና ወሳኒ ተራ ክጻወታ ምጽንሐን ይጥቀስ። ቻይናን ኤርትራን ካብ ነዊሕ ዝጀመረ ዲፕሎማስያውን ቁጠባውን ዝምድና ከምዘለወን ይፍለጥ። ክልቲአን ሃገራት ኣብ ህንጻ፡ ዕደና፡ ጥዕናን ትምህርትን ዝኣመሰሉ ዓውድታት ክተሓጋገዛ ከምዝጸንሓ ይግለጽ። ኩባንያታት ህንጻ ቻይና ካብ ፈለማ ናጽነት ጀሚረን ኣብ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ኤርትራ ይሳተፋ ነይረን'የን። ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ድማ፡ ሓያሎ ኩባንያት ዕደና ቻይና ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ዕደና ዳህሳሳት ይኹን ምውጻእ ማዕድናት ኢድ ከምዘለወን ይንገር። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር 2021 ኤርትራን ቻይናን ነቲ ብ'በልት ኤንድ ሮድ' (Belt and Road) ዝፍለጥ ናይ ቻይና ዓለምለኻዊ ተበግሶ ምህናጽ ትሕተ-ቅርጺ ዝምልከት ሰነድ ምርድዳእ ፈሪመን። ኣብ ዝሓለፋ ዓመት እታ ኣብ ተነጽሎ ዝጸንሐት ኤርትራ ብምዕራባውያን ሃገራት እገዳታት ክግበረላ እንከሎ፡ ቻይና ክትቃወሞ፡ ኣብ ካልእ እዋን ድማ ብድምጺ-ተዓቅቦ ክትከላኸለላ ምጽንሓ ይፍለጥ። ኣብ ትምህርቲ፡ ቻይና ንምምዕባል ዓቕሚ ሰብ ንምድጋፍ፡ ኣብ ዓመት ክሳብ 15 ተመሃሮ ክትወስድ ጀሚራ። ካብ 2008 ክሳብ 2017 ኣብ ዝነበረ እዋን ጥራይ ኣስታት 225 ኤርትራውያን ብመንግስቲ ቻይና ዕድላት ማህደረ-ትምህርቲ ምርካቦም ይፍለጥ። ሓደ ካብኦም ኣብ ቻይና ናይ ዶክትረይት (ፒ-ኤች-ዲ) ዝተማህረን ኣብ ኣንግልያ ራስኪን ዩኒቨርስቲ ክኢላን ተመራማርን ትምህርትን ማሕበራዊ ፍትሕን ዶ\/ር ሳምሶን ማእከለ እዩ። ዋላ’ኳ ቻይና ንብዙሓት ትምህርቶም ክቕጽሉ ዝደልዩ ኤርትራውያን ዓቢይ ዕድል እንተኸፈተት፡ ኣብ ገለ ክፍልታት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኤርትራ ዘሎ ብዙሕነት ግን የጽብቦ’ዩ” ብምባል፡ ነቲ ናብ ኣውሮጳን ኣመሪካን ዝወሃብ ዝነበረ ዕድላት ከምዝደረቶ ይዛረብ። “ቻይና፡ ክንዮ ማህደረ-ትምህርቲ ምሃብ’ውን ብመንገዲ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝኸፈተቶ ኮንፊሺየስ ማእከል ቻይና፡ ባህላዊ ጽልውኣ ንምስፋሕ ትፍትን ኣላ” ይብል ዶ\/ር ሳምሶን። መራሒ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ኣብ መወዳእታ 1960ታት ኣብ ቻይና ፖለቲካውን ወተሃደራውን ስልጠና ምውሳዱ፡ ስነልቦናውን ዲፕሎማስያውን ዋጋ ኣለዎ ዝብሉ’ውን ኣይሰኣኑን። ቁጠባዊ ርክብ ሱዳንን ቻይናን፡ ኣብ መወዳእታ 90ታት’ዩ ዝጅምር። ኣብቲ እዋን፡ ንመራሒ ኣልቃዒዳ ቢን ላደን ኣዕቊባትሉ ዝነበረት እዋን፡ ካብ ምራባውያን ሃገራት እገዳታትን ተነጽሎን ምስ ኣጋጠማ፡ ቻይና ንሃብቲ ነዳዲ ሱዳን ንምምዕባል ዕድል ተኸፊቱላ። ካብ 2003 ክሳብ 2010 ኣብ ዝነበረ እዋን ጥራይ፡ ንናይ ጸዓትን መጓዓዝያን ፕሮጀክትታት ዝውዕል ኣስታት 6 ቢልዮን ዶላር ንሱዳን ሂባ። ካብ 2011 ክሳብ 2018 ኣብ ዝቐጸሉ ዓመታት ድማ 143 ሚልዮን ዶላር ንሱዳን ከምዘለቀሓታ ጸብጻባት ይገልጹ። ሕጀ’ውን፡ ዋላ’ኳ ድሕሪ ሃብቲ ነዳዲ ሱዳን እንተቋረጸ (ደቡብ ሱዳን ሃገር ድሕሪ ምዃና) ሓንቲ ካብ ቀንዲ ንግዳዊ መሻርኽቲ ቻይና እያ። ኩባንያታት ቻይና፡ ኣብ ዕደናን፡ ህንጻ ትሕተ-ቅርጺታት፡ ኣገልግሎትን ካልእ ክፋላት ቁጠባን ይሳተፋ ምህላወን ይፍለጥ። ቀንዲ ዒላታት ነዳዲ ሱዳን ኣብ ደቡብ ሱዳን ብምንባሩ ግን፡ ድሕሪ 2011 ብጽሒታት ከንቆልቁል ግድን’ዩ ነይሩ። እቲ ኣብ 2011 ዝተፈጥረ ሓድሽ ምዕባለ ኸኣ ንቻይና ኣንፈታ ናብቲ ነዳዲ ዝነበሮ ደቡብ ሱዳን ክትጠዊ ኣገዲዱዋ’ዩ። ቻይና ድማ ቀንዲ ኣቕራቢት ወተሃደራዊ ኣጽዋር ደቡብ ሱዳን ምዃና’ውን ስማ ምስቲ መዕገቲ ዘየተረኽበሉ ግጭታት ተተሓሒዙ ክለዓል ጸኒሑ’ዩ። ቻይና፡ ሃብታን ሰባን ንምድሓን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ካልኦት ሃገራት ክትኣቱ ዝተገደደትሉ ኣብ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ፈላሚ ተመኵሮ ተባሂሉ ይግለጽ ኣሎ። ቻይና ምስተን ካልኦት ሃገራት ናይቲ ዞባ (ጂቡቲ፡ ሶማልያን ዩጋንዳን’ውን) ቀሊል ዘይብሃል ቁጠባዊ ምትእስሳር ከምዘለዋ ይፍለጥ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/clwvgxgl84xo"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ሱዳን ሰፊሕ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ከፊቱ ንዝብል ሓበሬታ ነጺጉ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሰፊሕ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ከፊቱ ብዝብል ዝዝርጋሕ ዘሎ ሓበሬታ ስኑዕ ክብል ነጺጉ። ሰራዊት ሱዳን ቅድሚ መዓልታት ኣብ ዘውጽኦ መግለፂ፡ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ረቡዕ 16 ሰነ 2014 [ግእዝ] ተፈጢሩ ብዝተባህለ ግጭት፡ ሸውዓተ ወተሃደራትን ሓደ ሰላማውን ብሓይልታት ኢትዮጲያ ከም ዝተቐትሉ ብምጥቃስ ከሲሱ ነይሩ። ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ነቲ ሱዳናውያን ምሩኻት ኣብ ኣደባባይ ቀቲሉ ዝብል ብሱዳን ዝቐረበሉ ክሲ ብምንጻግ፡ እቲ ሰራዊት ኣብቲ ቦታ ግጭት ከምዘይነበረን፡ እቲ ክስተት ኣብ መንጐ’ቲ ግዝኣት ኢትዮጵያ ሰጊሩ ዝኣተወ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳንን ሚሊሻታት እቲ ከባቢን ዝተፈጥረ እዩ፡ ምባሉ ይዝከር። ድሕሪ እዚ ክስተት ድማ ሱዳን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈተት ዝሕብሩ ዜናታት ኣብ ምቅላሕ ይርከቡ። ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ከበደ ደሲሳ ግን እዚ ሓበሬታ ሓሶት ከምዝኾነ ንቢቢሲ ገሊፁ’ሎ። “ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈተት ኣብ ምውዕዋዕ ይርከቡ። ብርግፅ ምትዅታዃት ኣለዉ እዮም። ናብ ቁሸታትን ገለ ከባብታትን ካብ ምትኳስ ብዝሰገረ ዝተኸፈተ መጥቃዕቲ ኮነ ዝጠፍአ ህይወት ሰብን ዝዓነወ ንብረትን የለን። እቲ ብማዕከናት ዜና ዓለምን ብማሕበራዊ መራኸብታትን ዝዝርጋሕ ዘሎ ሓበሬታ ሓሶት’ዩ። ብፍሉይ ዝተኸፈተ መጥቃዕቲ ወይ ዝተኸፈተ ኲናት የለን፡\" ኢሉ። ኣመሓደርትን ነበርትን እቲ ከባቢ ግን ሰራዊት ሱዳን ኣብቲ ምስ ኢትዮጲያ ዘዳውብ ከባቢታት ደብዳብ ከቢድ ብረት ከም ዘካየደ ትማሊ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም ኣለዉ። ሰራዊት ሱዳን ብመዳፍዕን ሞርታራትን ካልኦት ከበድቲ ኣጽዋርን፡ ኣብቲ ከባቢ ደብዳብ ከም ዘካየደ፡ ኣመሓዳሪ ወረዳ ኣርማጭሆ ኣቶ ደላሰኝ ኣያና ንቢቢሲ ተዛሪቡ። መንግስቲ ሱዳን ግን፡ እቲ ግጭት ብሰንኪ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከም ዝተፈጸመን፡ ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ሱዳን ከም ዝተኸስተን ዝነግር መግለጺ እዩ ኣውጺኡ። ብሰኑይ ዝተኻየደ ደብዳብ ኣመና ጽዑቕ ምንባሩን፡ ክሳብ ሰሉስ ድሕሪ ቐትሪ’ውን እቲ ደብዳብ ከም ዝቐጸለ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብተወሳኺ ገሊጾም። ሚኒስተር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ከበደ ግን ብነፈርትን ከበድቲ ኣፅዋርን ዝተሓገዘ መጥቃዕቲ ተኸፊቱ ዝብሃል ዘሎ ፈጺሙ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምዃኑ’ዩ ተዛሪቡ። ሰራዊት ሱዳን ኣብዚ ክልተ መዓልታት ተወሰኽቲ ቦታትት ከምዝተቘጻጸረ ንዝገልፅ ሓበሬታ ኣመልኪቱ ድማ ዝስዕብ ኢሉ። “ዝተቘጻጸርዎ ተወሳኺ መሬት የለን። ቅድም ክብል ምስ ሓይልታት ህወሓት ንዝተወለዐ ኲናት ተበሊፆም ዶብ ጥሒሶም ከም ዝኣተዉ ዝፍለጥ’ዩ። ነቲ ኣቐዲሞም ዝሓዝዎ መሬት ከኣ ለቒቘም ክወጽኡ ብተደጋጋሚ ንሓቶም ኣለና። እቲ ኵነታት ብሰላም ክፍታሕን መሬትና ብሰላማዊ መገዲ ክገድፉልናን ኣብ ምሕታት ኣለና። እቲ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ዝገብርዎ ግን ፈተነ እዩ ነይሩ” ይብል ኣቶ ከበደ። ንሱ፡ ወሲኹ ድማ፡ ሰራዊት ሱዳን ንዕጡቓት ሓይልታት ትግራይ ሒዙ ብናታቶም ሓገዝ ንምእታው ዝግበሩ ፈተነታት ከም ዘለዉ ብምኽሳስ፤ እንተዀነ፡  ካብዚ ሓሊፉ ዝተትሓዘ ሓድሽ ቦታ ከምዘየለ ተዛሪቡ። መራሕቲትግራይ ነቲ ሓይልታቶም ምስ ሱዳን ብምውዳድ መጥቃዕቲ ከፊቶም ብዝብል ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተደጋጊሙ ዝቐርበሎም ክስታት ነፂጎምዎ ኣለዉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንፈት ንምቕያር ዓሊሙንህወሓት ተሓታቲ ክገብር ከምዝደለየ ብምግላፅ፡ ሓይልታቶም ነቲ ተግባር ከም ዘይወዓልዎ ይሕብሩ። መራሕቲ ትግራይ፡ ኣብቲ ብሰሉስ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ከምዚ ዓይነት ክሲ ምቕራቡ፡ እቲ ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢዪ ዝምራሕ መንግስቲንሰላም ዘለዎ ድልውነት ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ምዃኑ ኣፍሊጦም ኣለዉ። ብ ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ብሰንኪ ዘይተፈትሐ ዘሎ ሕቶ ይግብኣኒ መሬት፡ ኣብ ክልቲኡ ወገን ብዘለው ዕጡቓት ሓይልታት ሓሓሊፉ ግጭት ከጋጥም ከም ዝጸንሐ ዝዝከር ኰይኑ፡ እዚ ናይ ሕጂ ግን ንመዓልታት ዝቐጸለ ወጥሪ ኣስዒቡ ኣሎ። ብሰንኪ’ዚ ድማ ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ እቲ ግጭት ከይዓርግ ስግኣት ከም ዘለዎም ብምግላጽ፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ናብ ውሑስ ከባቢ ክግዕዙ ከም ዝሓስቡ ይገልጹ’ለው። በቲ ዝተኻየደ ደብዳብ፡ ኣብ ሰብ ዝወረደ ጉድኣት’ኳ እንተዘይሃለወ፡ ኣብ ግራውትን ሓፈሻዊ ቦታታት ሕርሻን ጉድኣት ከም ዘውረደ ግን፡ እቲ ኣመሓዳሪ ይገልጽ። ብሰንኪ’ዚ ብዝተፈጥረ ስግኣት፡ ነበርቲ ካብ ንቡር ዕዮ ማሕረስ ከም ዝበዀሩ ሓቢሮም። ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዝካየድ ዝነበረ ንግዳዊ ንጥፈታት ከም ዝተኣጓጐለን፡ እታ መሰጋገሪት ኰይና ዝጸንሐት ገላባት ዝተባህለት ቦታ’ውን ከም ዝተዓጽወት ኣመሓዳሪ ኣቶ ደሳለኝ ይገልጽ። ወሃቢ ቓል ሓይልታት ሱዳን፡ ሰራዊት ሱዳን ዶብ ሰጊሩ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመን ወተሃደራት ኢትዮጵያ ከም ዝማረኸን ዝገልጽ ዜና ቅኑዕ ከም ዘይኰነ ገሊጹ’ሎ። ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ምብራቓዊ ግዝኣት’ታ ሃገር ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ሰራዊትን ነበርትን እቲ ከባቢ ከም ዝተዘራረበ፡ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ገሊጹ። ድሕሪ’ቲ ኣብ ትግራይ ሰሜን ኢትዮጲያ ዝተወልዐ ኲናት፡ ወተሃደራት ሱዳን ነቶም ኣከራኸርቲ ኰይኖም ዝጸንሑ ቦታታት ብሓይሊ ዝሓዘ ዀይኑ፡ እቲ ጉዳይ ብዝርርብ ክፍታሕን ጻዕርታት ክፍተኑ እንተቨንሑ’ኳ፡ ዛጊድ ኣይሰመሩን። ብመሰረት ሓበሬታ ኣመሓዳሪ ኣቶ ደሳለኝ፡ ስናር፡ ገላሉባን፡ ጐረደም፡ ልዕላይን ታሕታይን ኣቦጠር፡ ከምኡ’ውን ሰላም በር ዝተባህሉ ቦታታት ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ሱዳን ኣትዮም ይርከቡ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ceq8x0lng5do"} {"headline":"ኣብ ምዕራብ ሱዳን ዞባ ዳርፉር ዓሌታዊ ግጭት የስፋሕፍሕ ምህላው ተገሊጹ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ መንጐ ኣዕራብን ዘይኣዕራብን ማሕበረሰባት ዳርፉር ምዕራብ ሱዳን ዝዀና ንኣሽቱ ከባቢታት ዝተላዕለ ዓሌታዊ መልክዕ ዘለዎ ጐንጺ፡ ናብ ርእሰ መዲና ዳርፉር ዝዀነት ከተማ ኣልቐነይና ከም ዝለሓመ ማዕከናት ዜና 'ታ ሃገርን ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ይገልጹ ኣለው። እዚ ግጭት፡ ብሰንኪ'ቲ ብ22 ሚያዝያ 2022፡ ካብታ ዓባይ ከተማ 80 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ፡ ከረኒኽ ኣብ ዝተባህለት ንእሽቶ ከተማ፡ መንነቶም ዘይተፈልጡ ሰባት ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣዕራብ ብዝፈጸምዎ ቅትለት ዝተወልዐ ምዃኑ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ኣፍሊጡ። መግለጺ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ልክዕ ቍጽሪ ግዳያት - ምዉታትን ቍሱላትን -እዚ ግጭት ከረጋግጾ ከም ዘይከኣለ'ኳ እንተገለጸ፣ ኣሽሓት ሰባት ከም ዝተመዛበሉን፡ ሆስፒታላት፡ ንግዳዊ ትካላትን ነቝጣ ፖሊስን ከም ዝተጠቕዑን ኣረጋጊጹ'ሎ። ማዕከናት ዜና ሱዳን ግን 201 ሰባት ከም ዝሞቱ ሓቢረን ኣለዋ። ብሰንኪ'ዚ ግጭት፡ ትካል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣስታት 62,000 ህዝቢ 'ቲ ከባቢ ዝዕድሎ ዝነበረ ረዲኤት ከም ዘቋረጸ ኣፍሊጡ'ሎ። ኣብ ከተማ ኣልቐነይና ዝተደንገገ ኣዋጅ ሕላፍ ሰዓትን፡ ናብቲ ቦታ ዝተንቀሳቐሰ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳንን ነቲ ዝላባዕ ዘሎ ደማዊ ግጭት ከህድኦ ከም ዘይከኣለ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ካብቲ ቦታ የመልክቱ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፡ ኣብ መንጐ ሳገምቲ ኣዕራብን ተወለድቲ 'ቲ ከባቢ ዝዀኑ ኣባላት ቀቢላ 'ማሳሊት' ኣብ ከረኒኽ ዝተላዕለ፡ ብንብረት ዝተበገሰ ምስሕሓብ፡ ጠንቂ ሞት 67 ሰባት ከም ዝዀነ ይዝከር። ኣብ ሱዳን፡ እቲ ኣብ መንጐ ኣዕራብን ጸለምቲ ሱዳናውያንን ዘሎ ምትፍናን ነዊሕ ዝጸንሐን ንፖለቲካዊ ህይወት እታ ሃገር ዝጸሉ ምዃኑን ይንገር። እዚ ዓሌታዊ ኣተሓሳስባን ፍልልይን ኣብ ሱዳይ ድሕሪ ናጽነት - 1956 እዩ ኣብ ብሕታውን መንግስታውን መሓውራት 'ታ ሃገር ከስፋሕፍሕ ተራእዩ። እዚ ኸኣ፡ እቲ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን፡ ኣውሮጳውያንን ኣዕራብን ነጋዶ፡ ንመሸጣ ዝዀኑ ምሩኻት ንምሓዝ ንደቡብ ገጾም ብምውራር ዝፈጠርዎ ንግዲ ገላዩ ዝመበገሲኡ ምዃኑ ይግለጽ። እዚ ዓሌታዊ ኣጠማምታ፡ ንታሪኽ ናይታ ሃገር ዓብሊሉ፡ ኣብ ክሊ ልሂቃን ኻርቱም ደራኺ ሓይሊ ሒዙ ነዊሕ ሰሪቱ ዝጸንሐ እዩ። ዞባ ዳርፉር ከኣ ሓደ ቅሉዕ መርኣያ ናይዚ ዓሌታዊ ኣመለኻኽታ ሱዳናውያን ብሓፈሻ፡ ልሂቃን ሱዳን ከኣ ብፍላይ፡ እዩ። እዚ ዓሌታዊ ኣጠምምታ መወዳእታኡ፡ ደቡብ ሱዳን ናጽነታ ንኽትእውጅ ካብ ደራኺ ምኽንያታት ሓደ ነይሩ። ኣብቲ ዘይ-ኣዕራብ ዓሌታት ብብዝሒ ዝነብርዎ ግዝኣታት ደርፉር፡ ከባቢታት ኑባን ብሉ-ናይልን 'ውን ጸረ-ዓሌትነትን ኣድልዎን ሓያል ምልዕዓላት ክፈጥር ተራእዩ እዩ። እቲ ብ 1989 ብዕልዋ ናብ ስልጣን ዝመጸ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር፡ እቶም ብኡኡ ዝድገፉ ዝነበሩ ብ 'ጃንጃዊድ' ዝፍለጡ ፈረሰኛታት ሚሊሻ ኣዕራብ፡ ኣብ ፈለማ 2000 ኣብ ልዕሊ'ቶም \"ዙርጋ\" ዝበሃሉ ጸለምቲ ተወለድቲ 'ቲ ከባቢ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፡ ብገበን ኲናትን ምጽናት ዓሌት ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ተኸሲሱ ነይሩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ዓሌታዊ መጥቃዕቲታት ሱዳን፡ እቲ ቐንዲ ማእከል ትዅረት ቤት ፍርዲ ሄግ እዩ። መራሕቲ ዕጡቓት ሚሊሽያ ጃንጃዊድ ዝነበሩ ግን፡ ነቲ ዝቐርብ ክሲ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይነጽግዎ። ይኹን'ምበር፡ እቲ ብ\"ዓሊ ኩሻይብ\" ዝፍለጥ ዓሊ መሓመድ-ዓሊ ዓብዱራሕማን፡ ኣብ ጉዳይ'ቲ ኣስታት 300,000 ሰባት ዘህለቐን፡ ንልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ቤት-ኣልቦ ዝገበረን ግጭት ዳርፉር፡ ቀዳማይ ተኸሳሲ ኰይኑ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ እዩ። ዝሓለፈ ሳሙን ጉዳይ ክሲ፡ ፕረዚደንት ሱዳን ዝነበረ ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ስበስልጣናቱን ካብ ዝርኢ ዝነበረ ቤት ፍርዲ፡ ብቐጥታ ብተለቪዥን እናተመሓላለፈ ዝተሰምዐ ናብቲ ፍሉጥ ጋዜጠኛ ተወላዲ ዳርፉር ዝዀነ ሉቕማን ኣሕመድ ዝቐንዐ ዓሌታዊ ጸርፊ ንብዙሓት ኣሰንቢዱ እዩ። እቲ፡ ብሓደ ካብ ጠበቓታት ኣልበሽር ዝተዘርበ፡ \"እዚ'ባርያ' ምስቲ ክፉእ ኣፍንጫኡ ክጽለአኒ መዓት እዩ . . .\" ዝብል ዓሌትነት ዘንጸባርቕ ጸርፊ፡ ነቲ ድሕሪ ዕልዋ ኣልበሽር እውን ንሰለስተ ዓመታት ዝቐጸለ፡ ኣብ ርእሲ'ቲ ካልእ ቅልውላው እታ ሃገር፡ 'ጸረ-ዓሌትነት' እውን ካብ ምኽንያታቱ ዝገበረ ኣድማ ሱዳናውያን መሊሱ ክጓሃሃር ከም ዘክኣለ ይፍለጥ። እዚ ኣብ ዳርፉር ፈኸም ዝብል ዘሎ ረጽሚ ድማ፡ መርኣያ ናይቲ ተደጕሉ ዝጸንሐ ኣተሓሳስባታት ምዃኑን፣ እቲ ኣተሓሳስባን ኣጠማምታን ድማ ኣብ ሱዳን ገና ከምዘይጠፍአን ዘመልክት ምዃኑ፡ ይግምገም።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61228886"} {"headline":"ኣብ ዶብ ኢትዮ-ሱዳን ዝተፈጥረ ሓድሽ ኵነታት እንታይ እዩ?","content":"ኢትዮጵያ፡ ሱዳን ሓደ 'ስቪል' ዝርከቦም ሸውዓተ ወተሃደራታ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ከም ዝተቐትሉ ዘቕረበቶ ክሲ ብምንጻግ ዕጡቓት ሚሊሻ ዝፈጸሙዎ ምዃኑ ገሊጻ። ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ብምኽንያት እቲ ክልቲአን ዝስሓሓባሉ ልሙዕ መሬት ኣልፋሻጋ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ግጭታት ብተደጋጋሚ ክለዓሉ ጸኒሖም። ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ሱዳን ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ዝተቐትሉ ሰባት ብ22 ሰነ 2022 ኣብ ከም ዝተማረኹን ናብ ኢትዮጵያ ተወሲዶም ከም ዝተቐትሉን ገሊጹ ክብል ሮይተርስ ጸብጺቡ። ነዚ ስዒቡ፡ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ክስተት ኣመልኪቱ ዝወጽኡ ሓቅታት ምዝባዕ ከም ዘለዎ ብምግላጽ ኣብ ሞንጎ ናብ መሬት ኢትዮጵያ ዝኣተው ወተሃደራት ሱዳንን ናይቲ ከባቢ ሚሊሻን ብዘጋጠመ ግጭት ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ። እቲ ክስተት ከም ዝምርምሮ እውን ሓቢሩ። ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ግጭት ኣብ ዝተፈጸመሉ ቦታታት ከምዘይነበረ ብምግላጽ፡ ወተሃደራቱ ኣብቲ ቅትለት እቶም ሱዳናውያን ምሩኻት ከምዘይተሳተፉ ብምጥቃስ ነቲ ክሲ ነጺግዎ። ወተሃደራታ ብሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዝተቐትሉ እትኸስስ ሱዳን ግን፡ ተቓውሞኣ ንምግላጽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኣምባሳደራ ናብ ካርቱም ከም ዝጸውዓቶ ተገሊጹ። ብተወሳኺ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ እታ ሃገር ብዛዕባ እቲ ክስተት ወግዊ ስምዕታ ናብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንምቕራብ ይዳሎ ምህላው ሓቢሩ። ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ግን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ “መንግስቲ ሱዳን ነቲ ክስተት ካብ ምዕራግ ክዓግቶን ነቲ ኩነታት ዘህድኡ ስጉምታት ክወስድ ትጽቢት ከም ዝገብርን” ኣብሪሁ። ክልቲአን ሃገራት፡ ብፍላይ ምስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ ሩባ ኣባይ ትሃንጾ ዘላ መመንጨዊ ጸዓት ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ብዝተሓሓዝ ርክበን ክሕርፍፍን ወጥርታት ክርኣየንን ጸኒሑ’ዩ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ፡ ዓሰርታት ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ናብ ሱዳን ከም ዝሃደሙ ይፍለጥ። ሱዳን፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ ሓደ ሲቪል ዝርከቦም ወተሃደራተይ ቀቲላ ክትብል ከሲሳ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን እቲ ቕትለት ብሰንኪ ኣብ ሞንጐ ሰራዊት ሱዳንን ሚሊሻታትን ብዘጋጠመ ረጽሚ ዝሰዓበ ምዃኑ ይምጕት። ሱዳን ትሪቡን ዝተባህለ ብሕታዊ ማዕከን ዜና፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንወተሃደራዊ ምንጪታት ጠቒሱ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ወተሃደራት ሱዳን ኣብ ዶብ ሱዳን ኣብ እትርከብ ከተማ ኣል-ቁሬይሻ ስጕምቲ ምስ ወሰዱ ኣብ መንጐ ኣባላት ሰራዊት ክልቲአን ሃገራት ግጭት ከም ዝተላዕለ ሓቢሩ። እቲ ግጭት ብ22 ሰነ 2022 ከም ዘጋጠመ ብምግላጽ፡ ሓይልታት ኢትዮጵያ፡ ኢትዮጵያውያን ሓረስቶት ንምሕላው ብዝብል ኣብ ምብራቕ ሱዳን ከተማ ኣል ቁሬይሻ ሰፊሮም ዝብል ጸብጻባት ድሕሪ ምውጽኡ ዓሰርተ ወተሃደራቱ ናብቲ ከባቢ ከም ዝልኣኸ ይገልጽ። ብኻልእ ወገን፡ ብመሰረት ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወጽኡ ጸብጻባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዝዋሰናሉ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ከተማ መተማ ግጭታት ከም ዝነበሩ ተሓቢሩ። ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ሽመት መገዱቃ ዝተባህለ ጣብያ፡ ዕጡቓት ሱዳን ፈጺሞምዎ ብዝተባህለ መጥቃዕቲ ሓረስቶት እቲ ከባቢ ካብ ሕርሻዊ ንጥፈቶም ከም ዝተጐናደቡ ተገሊጹ። ራድዮ ድምጺ ኣመሪካ፡ ንኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ጐንደር ኣቶ ቢክስ ወርቁ ጠቒሱ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ “ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኣብ ሕርሻ ዝተዋፈሩ 246 ሰብ ሃብቲ ስርሖም ደው ኣቢሎም ኢሉ።” ማዕከን ዜና መንግስቲ ሱዳን ሱና፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ነቶም ሱዳናውያን ምስ ቀተሉ “ኣስከሬኖም ኣብ ኣደባባይ ንህዝቢ ኣርእዮምዎ” ብምባል፡ ነዚ ተመጣጣኒ ስጕምቲ ብምውሳድ ምላሽ ከም ዝህበሉ’ውን ኣጠንቂቑ ኣሎ። ኣብቲ ከባቢ ምብጻሕ ከም ዝገበረ ዝንገረሉ ዘሎ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን “እቲ ምላሽ ኣብ ባይታ ዝርአ ክኸውን’ዩ” ከምኡ’ውን “ናብ መሬት ሱዳን ዝግበር ካልእ ምንቅስቓስ ኣይፍቀድን” ምባሉ ሮይተርስ ጸብጺቡ። ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኢትዮጵያ ግን፡ “እቲ ክስተት ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ኰይኑ፡ እቲ ግጭት ብድጋፍ ህወሓት ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም ብዝኣተው ወተሃደራት ሱዳን ዘጋጠመ’ዩ” ብምባል ንኽሲ ሱዳን ኣቈናጺብዎ። ህወሓት፡ ነዚ ዝቐረበሉ ክሲ ዝምልከት ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ ርእይቶ የለን። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዘረባ ዘስምዐ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮንን፡ መንግስቲ ምስ ሱዳን ዘለዎ ወጥሪ “ብምሕዝነት ንምፍታሕ ሰላማዊ መገዲ ዝርርብ ከም ዝመርጽ” ተዛሪቡ ነይሩ። ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝወሰዶ ስጉምቲ ሕጋዊ ከም ዘይኰነ ብምግላጽ ወራር ፈጺሙ ብምባል፡ ኢትዮጲያ ክትከስስ ጸኒሓ እያ። ክልቲአን ሃገራት ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ዞባ ዝርከብ ልሙዕ መሬት ኣልፋሸጋ ክዋጠጣን ናብ ግጭት ክኣትዋን ምጽንሐን ይፍለጥ። ኣልፋሸጋ፡ ካብ 1990ታት ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ሱዳን ብሕዳር 2020 ወተሃደራታ ናብቲ ከባቢ ክተሰፍር እንከላ፡ ብግንቦት 2021 ምሉእ ብሙሉእ ከም ዝተቘጻጸረቶ ኣዊጃ። ኣብቲ ከባቢ ብዝለዓሉ ግጭታት፡ ብዙሓት ወተሃደራት ሱዳንን ሓረስቶትን ሞይቶም’ዮም። ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ሞንጐ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዘይምቅዳው ብድርድር ንምፍታሕ፡ ሱዳን ካብቲ ብሓይሊ ዝሓዘቶ ከባቢ ክትወጽእ ኣለዋ ዝብል ቅድመ ኩነት ኣቐሚጣ እያ። ሱዳን ብወገና፡ ካብቲ ካብ ኢትዮጵያ መንዚዓ መሊሳ ዝወሰደቶ መሬት ከም ዘይትወጽእ ኣፍሊጣ ነይራ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት፡ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቶ ደመቀ መኮንን ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ፡ መንግስቱ ነቲ መሬት ንምምላስ፡ “እቲ ጉዳይ ብምሕዝነት ንምፍታሕ ሰላማዊ መገዲ ዘተ ይመርጽ” ኢሉ ነይሩ። እንተዀነ፡ “መንግስቲ ኣብ ሰሜን ኣብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ እንከሎ፡ ሱዳን ዶብ ምጥሓሳ ዘሕዝን’ዩ” ብምባል ሓይልታት ሱዳን ኢትዮጵያውያን ከም ዘፈናቐሉን ንብረቶም ከም ዘዕነውን ገሊጹ። ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ትሰሓሓበሉ ዘላ ከባቢ፡ ልሙዕ ኮይኑ፡ ኩርናዕ ኣልፋሸጋ ብዝብል ይፍለጥ። ኣብቲ ዶብ ብኽልቲኡ ሸነኻት ዝርከቡ ሓረስቶት፡ ነቲ ልሙዕ መሬት ይምነዩ። ኩርናዕ ኣልፋሸጋ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ሱዳን፡ ምብራቓዊ ገዳርፍ ዝርከብ መሬት እዩ። እዚ 250 ትርብዒት ኪሎ ሜትር ዝሽፍንን ልዕሊ 240 ሄክታር ልሙዕ መሬት ዘለዎ ከባቢ’ዩ። ክልቲአን ሃገራት፡ ኣብዚ ከባቢ ሕቶ ይግብኣኒ ኣለወን። ቅድሚ ሕጂ፡ መንግስታት ክልቲአን ሃገራት፡ ነዚ ኣሰሓሓቢ ዶብ፡ ዳግማይ ንምምልካት ናይ ሓባር ፕሮጀክትታት ንምጅማርን ንህዝቢ እቲ ከባቢ ተረባሒ ንምግባር ስምምዓት ገይሮም ነይሮም። ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝሓንጸጽዎ ዶባት፡ ሱዳን፡ ግብጺ፡ ኤርትራን ካልኦት ሃገራት ሰሜንን ምብራቕን ኣፍሪቃ ሕጂ ሒዘናኦ ዝርከባ ቅርጽን መልክዕን ኣትሒዙወን እዩ። እዚ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ዶባት ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ምስሕሓብ ከልዕል ጸኒሑ’ዩ። ቅድሚ ዓሰርታት ዓመታት ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ኦጋዴን ኲናት ተላዒሉ ነይሩ። ከምኡ’ውን ቅድሚ 20 ዓመታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ባድመ ይግብኣኒ ብዝብል ምስምስ ናብ ኲናት ኣትየን ነይረን። ቅድሚ ሒደት ዓመታት ድማ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ንነዊሕ ዓመታት ተቛሪጹ ዝነበረ 774 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ዶባተን ንምጥራር ዘኽእል ዝርርብ ጀሚረን ነይረን። ኣልፋሸጋ ግን፡ በዚ መገዲ ፍታሕ ክርከበሉ ኣይተኻእለን። ብመሰረት ኣብ1902ን 1907ን [ኣ. ኤ] ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን እንግሊዝን ዝተገብረ ምምልካት ዶብ፡ እቲ መሬት ናብ ሱዳን ክኣቱ እንከሎ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ግን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ግብሪ ክኸፍሉ ጸኒሖም። መንግስታት እዘን ሃገራት ክገብራኦም ድሕሪ ዝጸንሓ ድርድራት ብ2008 [ኣ. ኤ] ኣብ ስምምዕ በጺሐን ነይረን። በዚ መሰረት፡ ኢትዮጵያ ነቲ ሕጋዊ ዶብ ኣፍልጦ ክትህቦ እንከላ ሱዳን ድማ ኢትዮጵያውያን ብዘይ ዝዀነ ጸገም ኣብቲ ግዝኣት ክነብሩ ፈቒዳ። ክልቲአን ሃገራት፡ ኣብ ዙርያ ኣልፋሸጋ ንዓመታት ዝጸንሐ ሕቶ ይግብኣኒ ዘለወን ኰይኑ፡ እዚ ምላሽ ንኽረክብ ኮሚሽን ዶብ ኣጣይሸን ክዘራረባ'ኳ እንተጸንሓ መዕለቢ ኣይረኸበን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቱርኪ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘለወን ምስሕሓብ ዶብ ንምፍታሕ፡ ንኽልቲአን ሃገራት ክተሸማግል ሕቶ ኣቕሪባ ነይራ። እንተዀነ ሱዳን ሰራዊታ ካብቲ ዝተቘጻጸሮ ቦታ ከም ዘይተውጽእ ክትገልጽ እንከላ፡ ኢትዮጵያ ድማ ስጕምቲ ሱዳን ወራር ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ ዝዀነ ዓይነት ዝርርብ ቅድሚ ምጅማሩ ክወጽኡ ትሓትት።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c51wqdw7rg4o"} {"headline":"ቻይና እትድግፎ፡ ዋዕላ ሰላምን ድሕነትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ኢትዮጵያ","content":"ኣብ ሰላምን ድሕነትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣቓልቦ ዝገብርን ሃገራት ናይቲ ከባቢ ዘሳትፍን ብቻይና ዝተደገፈ ኣኼባ፡ ካብ ሎሚ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ። እዚ ብዓይነቱ ፈላማይ ዝዀነ ኣኼባ ብሓገዝ መንግስቲ ቻይና ዝተዳለወ እዩ። እዚ ድማ ቻይና ኣብቲ ከባቢ ጽልዋ ንኽህልዋ ዘለዋ ድልየት የመልክት። እቲ ዋዕላ፡ ወፍርን ፖሊሲ ወጻኢን ቻይና ኣብቲ ከባቢ እናዓበየ ምምጽኡ ዘርኢ እዩ ዝብሉ ኣለዉ። ብኻልእ ወገን፡ ቻይና፡ ድሕነት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘተሓሳስባ ዘሎ ፡ ኣብቲ ከባቢ ሓያሎ ርእሰማል ኣዋፊራ ስለዘላ እዩ ዝብሉ’ውን ኣለው። ኣብዚ ናይ ክልተ መዓልቲ ዋዕላ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ማለት ኤርትራ፡ ኬንያ፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን ደቡብ ሱዳንን ዝተወከሉ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ክሳተፉ ትጽቢት ይግበር። ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ እተን ዝለዓለ ሓገዝ ገንዘብ ካብ ቻይና ዝረኽባ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ እየን። ኢትዮጵያውን ካብ መንግስቲ ቻይና ዝለዓለ ሓገዝ ገንዘብን መዋዕለ ንዋይን ትረከብ ሃገር እያ። ይዅን እምበር ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣትሒዙ ዝርአ ዘሎ ዘይምርግጋእን ኲናት ሓደሕድን፡ ንቻይና ዘተሓሳስባ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት። ኣብዚ ዓመት ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካየደ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ ዋንግ ዪ ንሰላም ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ቻይና፡ “ዓቢይ እጃም” ከተበርክት ከምእትደሊ ተዛሪቡ ነይሩ። እዚ ድሕሪ ምባሉ ድሕሪ ሓጺር ግዜ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ቻይና ቅድመኡ ብዘይተለምደ ኣገባብ ኵነታት ናይቲ ዞባ ዝከታተል ፍሉይ ልኡኽ ከም ዝመዘዘት ይዝከር። ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ሓድ ሕድ ተጸሚዶም ንዘለው ሓይልታት ንምዝርራብ ዘርኣየቶ ወግዓዊ ድልየት ግን የለን። ነዚ መዝነት ዝተመመዘ ዡ ቢንግ ቅድመኡ ኣብ ፓፓው ኒው-ጊኒ ኣምባሳደር ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ። ብዘይካ’ዚ እቲ ኣምባሳደር፡ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣሜሪካን ኦሻኒያን ሃገሩ ወኪሉ ከም ዝሰርሐ’ውን ይፍለጥ። ቻይና፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ፡ ፖለቲካውን ቍጠባውን ተገዳስነት ከም ዘለዋ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ ጅቡቲ ዘቘመቶ ሓይሊ ባሕሪ ከኣ መርኣያ እዩ። ብተወሳኺ፡ ንኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘለቅሐትን፡ ኣብዘን ሃገራት ድማ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ተተግብር ከምዘላን ይፍለጥ። ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ኤርትራ፡ ደቡብ ሱዳንን ሶማልያን ዘተኣማምን ሰላም ዘይምህላው፣ ከምኡ’ውን ፍታሕ ዘይረኸበ ቅልውላው ፖለቲካ ሱዳን ንሰላም እቲ ዞባ ዓበይቲ ብድሆታት ኰይኖም ምህላዎም ይፍለጥ። ብዘይካ ቻይና፡ ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ንጉዳያት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብቐረባ ዝከታተሉ ፍሉያት ልኡኻት ከምዘለወን ይፍለጥ። ፍሉያት ልኡኻት ሕብረት ኤውሮጳ: ካብ 6 ክሳብ 8 ሰነ ኣብ ኣብ ኤርትራ ከምዝበጽሓን ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኤርትራን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብዝምልከት፣ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ከምዝተዘራረቡ' ይፍለጥ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cmjexv5pn4no"} {"headline":"‘ትሕቲ ክሳዱ ዝተቐብረ ሰብ ኴንና ንነብር ኣለና’ - ተጋሩ ስደተኛታት ኣብ ሱዳን","content":"ንብርክት ዝበሉ ማሕበራውን ስነልቦናውን ጸገማት ከም ዝተቓልዑ ዝገልጹ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ምምሕዳር ገዳርፍ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ቱናይድባህ ዝርከቡ ተጋሩ ስደተኛታት፡ ተጻባእቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ሰላም ኣውሪዶም ናብ ዓዶም ክምለሱ ተስፋ ይገብሩ። ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራ ክትነብር ዝጸንሐት ጓል 46 ዓመት ወይዘሮ ኣልጋነሽ ገብረእግዝኣብሄርን ደቃን ካብቲ ኲናት ሃዲሞም ዶብ ሱዳን ካብ ዝሰግሩ 19 ኣዋርሕ ሓሊፎም ኣለው። ንሳን ደቃን ዝለመድዎ ጽቡቕ መግብን መደቀስን ካብ ዝሓርሞም’ውን ኣዋርሕ ተቘጺሮም። መዓስከር ቱናይድባህ፡ ንዓሰርታት ኣሽሓት ስደተኛታት መጽለሊ እንተዀነ’ውን፡ ከቢድ ሕጽረት ቀረብ መግብን ዘተኣማምን መጽለሊ ቦታን ግን ኣለዎ። ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት [ኦቻ] ኣብ ወርሒ መጋቢት 2022 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ክሳብ 28 ለካቲት 2022፡ ኣብቲ መዓስከር፡ 23ሽሕን 750 ስደተኛታት ከም ዝነብሩ የመልክት። እዚኦም፡ ካብ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ወርሓዊ ብዝረኽብዎ 14 ኪሎ ማሽላ፡ ሓደ ሊትሮ ዘይቲን ሓደ ኪሎ ዓደስን፡ ምንባር ጥራይ ከም ዝቕጽሉ እቶም ስደተኛታት ብምስትንታን ይዛረቡ። “እዚአን ቁንጣሮ ጥረ ጨው ተወሲኸንአን’የን ዝወሃባና። ካልእ ምንም ተወሳኺ ነገር የብሉን። ንሕና'ውን እቲ ኣመጻጽኣና ብጣዕሚ ዝኸፍአ’ዩ ነይሩ። ኣብ ዝባንና ዝነበረ ዝተቐደደ ይዅን ጥዑይ ጨርቂ ሒዝና ሬሳታት እናሰገርና ኢና መጺእና፤ ከቢድ’ዩ” ብምባል ወይዘሮ ኣልጋነሽ ነቲ ኵነታት ተረድእ። በዚ ምኽንያት፡ ንሳን ካልኦት ስደተኛታት መነባብሮኦም፡ “ካብ ክሳዱ ንታሕቲ ዝተቐበረ፡ ግን ትንፋሱ ዘይሓለፈ ኴንና ኢና ንነብር ዘልና” ክትብል ነቲ ናይ ስደት ህይወታ ትገልጾ። ንሳ፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ምጅማር ኲናት ትግራይ፡ ዶብ ሱዳን ሰጊራ ኣብ ሓምዳይት ክትጸንሕ እንከላ፡ ካብ 11 ለካቲት 2013 ዓ.ም [ግእዝ] ጀሚሩ ግን ኣብቲ መዓስከር ኣትያ። እቲ ዝቐርበሎም ሓገዛት፡ እዋኑ ሓልዩ ከም ዘይመጽእን ዝተቘራረጸ ከም ዝዀነን እትዛረብ ካልእ ስደተኛ እቲ መዓስከር ለተብርሃን ተኽላይ፡ ሕጽረት ዝተመጣጠነ መግቢ ብምህላዩ ብዙሓት ንሕማማት ተቓላዕቲ ኰይኖም’ዮም ትብል። “ኣብ ኵሉ ጐዶሎ ኣሎ፤ ሰብ ክኣ ብጣዕሚ’ዩ ዝሓምም፤ ዕፍሽዋን ካልእን እናሓመመ መብዛሕትኡ ሰብነቱ ምልክት ጥራይ ኰይኑ’ዩ። መድሃኒት’ውን ብኡ መንጽር ኣይርከብን፡” ትብል። ድሕሪ ምጅማር እቲ ኲናት ኣስታት 60 ሽሕ ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ ናብ ሱዳን ከም ዝሰገሩ ጸብጻባት ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ። መዓስከር ቱናይድባህ ካብ ገዳርፍ ብመኪና ኣስታት ክልተ ሰዓት ርሒቑ ዝርከብ ኰይኑ፡ ኣብ ጐልጎል ዝተደኰነ ንንፋስን ዝናብን ዝተቓልዐ ከም ዝዀነ ይግለጽ። መብዛሕትኦም፡ ብገመድን ጀዲድ ጨርቅን ተወጢሮም ዝተሰርሑ እዮም ዝብል ኣመሓዳሪ እቲ መዓስከር ኣቶ ኣስማረ ኣዳል፡ ኣብቲ መዓስከር ካብ ዘለው 14 ብሎካት፡ ኣብ ሓደ ብሎክ ክሳብ 550 ዝበጽሕ ካብ ቴንዳ ዝተሰርሑ መጽለሊ ቦታታት ከም ዝርከቡ ሓቢሩ። “ቅድም ኢሉ፡ ነቶም ኣካላዊ መጉዳእትን ጥዕናዊ ጸገማትን ዘለዎም ሰባት ኣጉዶ ዝመስል ገዛ ተሰሪሑሎም’ዮም፤ ኣብ ዝተወሰነ ብሎካት’ውን ዝተጀመረ ስርሓት ኣሎ። ዝበዝሕ ህዝቢ ግን ኣብ ቴንዳ እዩ ዘሎ፤ ንሳተን ከኣ ኣብዚ እዋን ኣሪገን ስለ ዝተቐደዳ፡ እቲ ስደተኛ ብቐዳድ ጨርቂ፣ ሳዕሪ ገይሩ እናለገበ መጸገኒ ስኢኑለን። ሕጂ ክኣ ክረምቲ ይመጽእ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ከቢድ ጭንቂ ኣሎ” ይብል። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ መዓስከር ዘጋጠመ ብርቱዕ ንፋስን ብርክት ዝበለ መጽለሊ ቦታ ከዕኑ እንከሎ፡ ብዝስዓበ ሓያል ውሑጅ ድማ ተዋሒጡ ነይሩ። ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት [UNHCR] ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ 2021 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን ንሰሙናት ብዘጋጠመ ብርቱዕ ንፋስ፡ ናውትን መዕቀሊን ስደተኛታት መዓስከራት ኡም ራኩባን ቱናይድባህን ከም ዘዕነወ ገሊጹ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ካብ 10 ሽሕ ስድራቤታት ናይቶም ኣርባዕተ ሽሕ መንበሪ ቴንዳ ብሰንኪ ብርቱዕ ንፋስ፡ ዝናብን በረድ ዝተሓወሶ ህቦብላን ከም ዝዓነዉ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ'ዩ። “ኣስታት 568 ዝኣኽሉ መራሕቲ ስድራ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኮለልን ጥርዓንን’ዮም ዘለው። ገዛውትና ተቐዲደንን ፈሪሰንን ጀማይካ ብዝተባህለ ገመድ ተሸቂጠን፡ ጨርቂ ዘርጊሕና ኣብ ንፋስን ቁርን ካብ እንነብር ዓመትን ሸውዓተ ወርሕ ሓሊፉና። ካልኣይ ክረምቲ ኣርኪቡና ኣሎ፤ ንንፋስን ውሑጅን ኢና ድሉዋት ኴንና ዘለና እምበር፡ ክረምቲ ይመጽኣኒ ኣሎ’ሞ ኣብ ገዛይ ከጽልል ዝብል ተስፋ የብልናን” ክትብል ወይዘሮ ኣልጋነሽ ስግኣታ ትገልጽ። እቲ ስደተኛ ብትኽክል ኣይተሓገዘን ዝብል ኣመሓዳሪ እቲ መዓስከር ኣቶ ኣስማረ ብወገኑ፡ ቅድም ኢሉ ዝተዋህቦም ናይ ሶላር መብራህቲ ተበላሽዩ ከም ዘይተተክኣሎምን ብዝቐርበሎም ሓገዝ ዕጉባት ዘይኰኑ ናብራኦም ንምሕጋዝ ዝተዋህቦም ኮበርታ ከም ዝሸጥዎን ሓቢሩ። “እቲ ሰፋራይ፡ መጀመርታ ካብ ኲናት ተመዛቢሉ ስለ ዝመጽአ እቲ ዝጸንሖ ከም ናብራ ተቐቢልዎ፡ ስፋር እኽልን፡ ኮበርታን ተዋሂብዎ ኣብ መሬት ስጋጃ ኣንጺፉ ናብራ ክደፍእ ጀሚሩ። ሕጂ ግን ዝተጐሳቘለ ህይወት ኰይኑ፤ መማረጺ ዝሰኣነ ህይወቱ ንምሕጋዝ ዝተዋህቦ ኮበርታን ዝመጽኣሉ እኽልን ሸይጡ ንበርበረን ዕንጸይትን ዘውዕል ኣሎ፡” ይብል። በዚ ምኽንያት፡ ኣብቲ መዓስከር ስርቅን ካልኦት ጸገማትን የጋጥሙ ምህላዎም’ውን እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ሓቢሮም። እቶም ስደተኛታት፡ ኣብ ክሊ እቲ ዝሓልፍዎ ዘለው ህይወት እቲ ዝኸፍአ ሸነኹ፡ ቤተይ ካብ ዝብልዎ ከባብን ስድራ ቤትን ዝርሓቑ ብምዃኖም እዩ። ኣብ ቀረባ፡ መራሕቲ ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ፍልልያቶም ብዘተ ንምፍታሕ ንምዝርራብ ቅሩባት ምዃኖም ምግላጾም ክኣ፡ ተስፋታት ሰላም ክቀላቐል ገይሩ ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንኣባላት ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኲናት ትግራይ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዝከታተልን ዝላዘብን ኮሚቴ ቈይሙ ምህላው ሓቢሩ ነይሩ። ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል’ውን፡ ሓይልታት ትግራይ ምስ መንግስቲ ፌደራል ንምዝርራብ ድሉዋት ከም ዝዀኑ ብምግላጽ፡ “ኣብቲ ብመንግስቲ ኬንያ ዝዳሎ ዘተ ዝሳተፍ ሓላፍነትን መምርሕን ዝተዋህቦ ልኡኽ ንምስዳድ ተዳሊና ኢና” ኢሉ። “ኣብ ግዜ ሰላም፡ ወሊደ ደቀይ ኣምሂረ ኣብ ስራሕ ኣብጺሐ’የ፤ ጽቡቕ ህይወት ነይሩኒ። ኣብ ልምዓትን ስራሕን ኢና ነይርና፤ ድሕሪ እቲ ኲናት እንነብሮ ዘለና ግን እቲ ዝኸፍአ ዝብሃል እዩ” እትብል ወይዘሮ ኣልጋነሽ፡ ንተግባራውነት እዚ ተበግሶ ብሃንቀውታ ካብ ዝጽበዩ ስደተኛታት ሓንቲ እያ። ክሳብ ሕጂ፡ ደሃይ ኣብ ዞባ ማእከል ዝነብሩ ወለዳን ኣሕዋታን የብላን። “ዋይ ዋይ! ክሳብ እዛ ዕለት፡ ስድራይ ተወዲኦም’ዶ ይዀኑ?እቲ ዝነብሮ ዘለኹ ድማ ከመይ ኢለ ክደፍኦ? እናበልኩ እየ ዝጭነቕ። እቲ ሃዋሁ ሰላም ካብ ዘሕደረለይ ተስፋ ሓደ፡ ዓዲ ተመሊሰ ዝተወሰነ ስድራ’ዶ ይረክብ ይኸውን? ዝብል ኰይኑ፡ ናብ ዓዲ ተመሊሰ ንቡር ህይወትይን ናብራይን ክምለስ ተስፋ እገብር፡” ኢላ። ለተብርሃን፡ ብዛዕባ እዞም ምዕባለታት ከም ዘይሰምዐትን፡ እትሰምዓሉ መገዲ'ውን ከም ዘይብላ ብምግላጽ፡ “ወትሩ፡ ዋላ’ውን እቲ ህይወት እንተመረረ፣ ብሽግራት'ውን እንተመልአ፡ ሰላም መጺኡ ክርኢ ተስፋ እገብር፡” ትብል። እቲ ንኣስታት 19 ኣዋርሕ ዝቐጸለን ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓመ ኲናት ትግራይ፡ ሰፊሕ ምፍንቓልን ስደትን ከም ዘስዓበ ይዝረብ። ኢትዮጵያ፡ ኣብ 2021 ኣብ ዓለም ካብተን ዝበዝሐ ተመዛበልቲ ዘለወን ሃገራት ከም ዝኾነት፡ ኣብ ቅድሚት ከም እትስራዕን ንውሽጣዊ ምዝንባል ዝከታተል ትካል (IDMC) ሓቢሩ ነይሩ። እቲ ትካል ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት 2022 ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ጥራይ 5.1 ሚሊዮን ሰባት ብሰንኪ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝቕጽሉ ዘለው ጐንጽታትን ብሄር ተኰር መጥቃዕታትን፣ ደርቂ ከምኡ’ውን ቍጠባዊ ዘይምርግጋእ ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም። ካብዚኦም፡ እቶም 4.2 ሚልዮን ሰባት ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉ’ዮም።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72exjxvxezo"} {"headline":"ፍልጥቲ ሱዳናዊት ተሓላቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዓለምለኻዊ ሽልማት ተዓዊታ","content":"ኣብ ሱዳን ነቲ ኣብ ጥቅምቲ 2021 ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ ስዒቡ ኣብ ፈለማ ናይ’ዚ ዓመት ተኣሲራ ዝነበረት ፍልጥቲ ሱዳናዊት ተሓላቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ፡ ዓለምለኻዊ ሽልማት ሰብኣዊ መሰላት ተዋሂባ። ኣሚራ ዑስማን ሓምድ ሓንቲ ካብቶም ናይ’ዚ ዓመት ተዓወትቲ ‘ፍሮንትላይን ዲፈንደርስ ኣዋርድ ፎር ሂዩማን ራይትስ ዲፈንደርስ ኣት ሪስክ’ ከምዝኾነት እቲ ትካል ብዓርቢ ኣፍሊጡ። እታ ብሞያ መሃንዲስ ዝኾነት ጓል 40 ዓመት ተሓላቒት ንኽልተ ዓሰርተ ዓመታት ዝኣክል ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ክትቃለስ ምጽንሓ ይግለጽ። ንሳ ንባዕላ ግዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝኾነትን ኣብ 2013 ኣስላም ደቂ ኣንስትዮ ርእሰን ንምሽፋን ዝወድይኦ መጎልበቢ ርእሲ ንምግባር ፍቓደኛ ብዘይምዃና ኣብ ቀይዲ ኣትያ ምንባራን እቲ ትካል ሓቢሩ። ብዘይካ’ዚ ኣብ 2002 ስረ ብምልባሳ ክሲ ክምስረታ እንከሎ፡ ኣብ ጥሪ ናይ’ዚ ዓመት ብሓይልታት ጸጥታ ካብ ገዝኣ ተወሲዳ ንዝተወሰነ እዋን ምስ ሰባት ኣብ ዘይትራኸበሉ ስፍራ ተቐዪዳ ኔራ። “እንተኾነ ካብ ተልእኾኣ ፍሕት ኣይበለትን ኣብ ሰላማዊ ሰልፍታት’ውን ትሳተፍ ነይራ” ኢሉ ፍሮንትላይን ዲፈንደርስ ንተዓወትቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ። ማሕበር መማህራን ገጠር ዚምባብወ’ውን ትሑት መሃያን ኩነታት ስራሕን መምህራን ገጠር ንምምሕያሽ ብዝዓመሞ ንጥፈታት ነቲ ሽልማት ከምዝበቕዐ ተገሊጹ። ብዘይካ’ዚ እቲ ትካል ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ቤላሩስን ሜክሲኮን ዝርከቡ ተሓለቕቲ መሰላት ሸሊሙ ኣሎ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61617692"} {"headline":"ሱዳን፡ ምልሶት መሓውራትን ሰዓብትን ኣልበሽር","content":"ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ካብ ዝእለ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት፡ ኣባላት ሰልፊ ሃገራዊ ኮንግረስ (ኤንሲፒ) ነበር፡ በቲ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ወተሃደራዊ ጕጅለ ኣገዳሲ ጽፍሕታት ይወሃቦም ስለ ዘሎ፡ ፖለቲካዊ ምልሶት ከይከውን ብዝብል ስግኣት የለዓዕል ኣሎ። ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣንጻር ምልካዊ ምሕደራ ስርዓት ኣልበሽር ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞታት ዓቢይ ተራ ዝነበሮም ሲቪላውያን መሻርኽቱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዕልዋ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ እቲ ሰንኮፍ ዝነበረ መሰጋገሪ መንግስቲ ሽዑ ኣኽቲሙ እዩ። ላዕለዎት ጀነራላት ሱዳን፡ ኵሎም ኣባላት ናይቲ ኣብ ኣጋ ሕልቀት ስርዓት ኣልበሽር ዝተመዘዘ ሽማግለ ጸጥታ ዝነበሩ - ነቲ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ጽኑዕ ስርዓተ ሕጊ ሸሪዓ (እስላማዊ ሕጊ) ዘተግበረ ሰልፊ ሃገራዊ ኮንግረስ ከም ዝድግፉ እዩ ዝንገር። ሃምዛ ባሎል - ላዕለዋይ ኣባል ናይቲ ክሳብ ዕልዋ መንግስቲ ምስቶም ጀነራላት ስልጣን ዝተላፈነ ደጋፊ ዲሞክራሲ ዝዀነ ምንቅስቓስ ሓይልታት ንናጽነትን ለውጥን (FFC) - እዚ ወተሃደራዊ ጕጅለ፡ ነቲ ሕሉፍ ሰልፊ 'ኤንሲፒ' ብምሕብሓብ ነቲ መስርሕ ሰውራዊ ለውጢ የበላሽዎ ከምዘሎ እዩ ዝኣምን። እቶም መራሕቲ ዕልዋ መንግስቲ፡ \"ፖለቲካዊ መሰረታቶም ንምጥጣሕ ምስ መራሕቲ ናይቲ ዝሓለፈ ስርዓት ጽኑዕ ምትሕብባር ክገብሩ ጸኒሖም እዮም፡\" ክብል ከኣ ይገልጽ። ባሎል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ \"እቶም ሓይልታት ሰውራ፡ ነቲ ዕልዋ ንምስዓር ሓድነት ክፈጥሩ ጥራይ ኣለዎም\" ኢሉ። ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ፡ ሲቪላዊ ምሕደራ ክምለስ ጠሊቡ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ፡ ዛጊት ልዕሊ 100 ሰባት ተቐቲሎም። ድሕሪ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ካብቶም ቀንዲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዘተዋህቡ ቀዳሞት መምርሒታት፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ስርዓት ዝነበሩ መዋቕራት \"ንምፍራስ\" ዝተመስረተ ኮሚቴ ስራሕ ደው ከም ዘብልን፡ ኵሉ ውሳነታቱ ክቕልበስ ምግባርን እዩ ነይሩ። እዚ፡ ድሕሪ ወተሃደራዊ ምምንዛዕ ስልጣን ዝተኣስረ ጠበቓ ዋጅዲ ሳልሕ ዝመርሖ ዝነበረ ኮሚቴ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኣልበሽር ሰፊኑ ዝነበረ ግኑን ብልሽውና ኣብ ምቅላዕ ዓቢይ ኣበርክቶ ነይርዎ። እዚ ኮሚቴ፡ ዝርዝር ኣስማት ብልሹዋት ሰበስልጣንን ነጋዶን ኣቕሪቡ፣ ብልሹዋት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣባሪሩ፣ ንብረት ከም ዝተታሕዘ ኣፍሊጡ፣ ትእዛዛት ማእሰርቲ ኣመሓላሊፉ፣ ሕሳብ ባንክታት ኣደስኪሉ፣ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ኣብ መንጐ መሪሕነት ኤንሲፒን እቶም ጀነራላት ሰራዊትን ዝነበረ ውዕላት ከኣ ይምርምሮ ነይሩ። እዚ እናዀነ ግን እቲ ኮሚቴ፡ ብገለ ወገናት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ከምዝሰርሕ፣ ብገለ ድማ ዘይፍትሓዊ መቕጻዕቲ ንምውሳን መሳርሒ ኰይኑ የገልግል ኣሎ ተባሂሉ ክውቀስ ጸኒሑ እዩ። ድሕሪ እቲ ዕልዋ መንግስቲ፡ እዚ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ጕጅለ መሰረታት ስልጣኑ ንምዕማቝን ንምድላዳልን ናብ ሰልፊ ሃገራዊ ኮንግረስን ተደናገጽቱን ገጹ ኣቕኒዑ ይርአ’ሎ። ብኣማኢት ዝቝጸሩ ካብ ስራሕ ተባሪሮም ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ማእከላይ ባንክ፡ ኣብያተ ፍርዲ፡ ኣገልግሎት ዓቃብ ሕጊ፣ ኣባላት መንግስታዊ ማዕከን ዜና፡ ሚኒስተራት መንግስትን ዝነበሩ ናብ ስርሖም ይምለሱ ኣለው። እሙናት ኣባላት’ቲ ዝሓለፈ ስርዓት\/ሰልፊ ዝነበሩ ቁልፊ ጽፍሕታት ክሕዙ ይረኣዩ ኣለው፤ ንኣብነት ኣመሓዳሪ ደቡብ ኮርዶፋን ነበርን ሓደ እዋን ኣብቲ ዞባ መራሒ ሰልፊ ኤንሲፒ ዝነበረን ጀነራል ኣሕመድ ሙፍዳል ክጥቀስ ይከኣል። ንሱ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ነቲ - ኣብ እዋን ስርዓት ኣልበሽር ኣመና ተፈራሒ ዝነበረ ትካል ሃገራዊ ትካል ስለያን ጸጥታን - ሕጂ ‘ሓፈሻዊ ኣገልግሎት ስለያ (GIS)’ ዝብል ሓድሽ ስያመ ዝቐየረ ትካል ይመርሕ ኣሎ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ሕሳብ ባንክታት ኣማኢት ኣባላት ሰልፊ ሃገራዊ ኮንግረስ ነበር ካብ እገዳ ናጻ ምዃኖምን፡ ሓያለ ካብቶም መሪሕ ኣባላቱ ካብ ማእሰርቲ ምፍትሖምን ድማ፡ መሓውራት ‘ቲ ሕሉፍ ስርዓት ናብ ህዝባዊ መድረኻት እታ ሃገር ይምለስ ምህላው ዘርኢ ተወሳኺ ምልክት እዩ። ገለ ካብኣቶም ኣልበሽር ብቐንዱ ግን በቲ ወተሃደራዊ ጕጅለ ገና ተኣሲሩ እዩ ዘሎ። ኣብ 2019 ብብልሽውና ተፈሪዱ፣ ካብ ሓምለ 2020 ጀሚሩ ድማ በቲ ኣብ 1989 ናብ ስልጣን ዝመጽኣሉ ዕልዋ መንግስቲ ተኸሲሱ ኣብ ቤት ፍርዲ ይመላለስ ኣሎ። እዚ ድማ እቲ ደጋፊ ዲሞክራሲ ዝዀነ ምንቅስቓስ ዘበገሶ ኰይኑ፣ እቲ መስርሕ ፍርዲ ቅድሚ ጀነራል ኣልቡርሃን ስልጣን ምምንዝዑ ዝጀመረ እዩ። እዚ ወተሃደራዊ ጕጅለ ግን፡ በሽር በቲ ምስ ግጭት ዞባ ዳርፉር ተኣሳሲሩ ዝኽሰሰሉ ገበናት ኲናት - ግን ከኣ ዝኽሕዶ ክስታት፡ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ክቐርብ ኣሕሊፉ ካብ ምሃብ ሓንጊዱ እዩ። እቶም ጀነራላት ግን ኣብ መወዳእታ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ 2013 ግብጺ፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ ዝተራእየ ፕረዚደንት ነበር ሑስኒ ሙባረክ ናጻ ዝተባህለሉ ኵነታት፡ ንበሽር’ውን ናጻ ክፈትሕዎ ይኽእሉ እዮም ዝብል እምነት ብዙሓት ተንተንቲ እዩ። ሕኑን ኣባል ሰልፊ ሃገራዊ ኮንግረስ ሱዳን ከምኡ’ውን ግዝያዊ ዋና ጸሓፊ ናይቲ ሰፊሕ ኪዳን እስላማውያን ጕጅለታት ዝዀነ እስላማዊ ምንቅስቓስ ሱዳን - ዓሊ ካርቲ፡ እቲ ቐንዲ ተዋሳኢ ኣብ ዳግመ ትንሳኤ ኤንሲፒ ዘሎ ሰብ ምዃኑ ይግመት። ዓሊ ካርቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ቱርኪ ዝነብር ዘሎ ኰይኑ፡ ድሕሪ ልዕሊ ሰለስተ ዓመት ንመጀመርያ ግዜ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ተሌቪዥን ቃለ መጠይቕ ኣካይዱ። ኣብ ዘረባኡ፡ ንኤንሲፒ ብምክልኻል፡ እስላማውያን ዳግማይ ክውደቡን ኣብ ዝቕጽል ምርጫ ክወዳደሩን መሰል ከም ዘለዎም ገሊጹ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነበር ዓሊ ካርቲ፡ በታ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስርዓት ኣልበሽር ነበር ስጕምቲ ንምውሳድ ዝቘመት ኮሚተ ዒላማ ዝተገብሩ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰባት'ዩ ነይሩ። ኣብ ሰሜን ካርቱም ብስሙ ዝተመዝገቡ ኣማኢት ቃጽዖታት መሬት ተታሒዞም፣ ገለ’ውን ነቲ ከባቢ ‘ካርቲስታን’ ኢሎም ክጽውዕዎ ምኽንያት ኰይኑ እዩ። ንሱ ግን ዝዀነ በደል ከምዘይፈጸመ እዩ ዝኽሕድ። ዓሊ፡ ኣብ ግዜ ስርዓት በሽር ሓደ ካብቶም ሓራምዝ ከም ዝነበረ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እቲ መንግስቲ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ እስላማዊ ስምዒት ኣብ ዝነበረሉ፡ ኣብ 1990ታት፡ ንዝተመስረተ ህዝባዊ ሓይልታት ምክልኻል ዘቘመ እዩ። እዚ ሓይሊ፡ ኣንጻር ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን (SPLM) - ደሓር ደቡብ ሱዳን ዝፈጠረ ምንቅስቓስ - ዝተገብረ ኲናት ንምምካት ኣስተዋጽኦ ከም ዝገበረ ይንገረሉ። ሚኒስተር ዜና ስርዓት ኣልበሽር ዝነበረ ኣሚን ሓሰን ዑመር እውን ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ እስላማዊ ምንቅስቓስ፡ ንሱዳን ካብ ዝዀነ ስግኣታት ክከላኸሉላ ዝኽእሉ 500,000 ተዋጋእቲ ከም ዘለውዎ ይዛረብ። እዚ ዘረባ’ዚ ብናጻ ወገን ክረጋገጽ’ኳ እንተዘይተኻእለ፡ እስላማውያን ክሳብ ክንድዚ ዝኣክል ዕጡቕ ሓይሊ እንተደኣ’ለዎም ኰይኑ፡ ነቲ ብጃንጃዊድ ምልሻ ዝቘመ፡ ኣብ ዳርፉር መጠነ-ሰፊሕ ግፍዒታት ብምፍጻም ዝኽሰስ ወተሃደራዊ ጕጅለ ይዕብልልዎ ኣለው ማለት እዩ። እዚ ብህጹጽ ወሃብ ደገፍ ሓይሊ[ Rapid Support Force – RSF] ዝፍለጥ ወተሃደራዊ ክንፊ ካብ 50,000 ክሳብ 150,000 ኣባላት ከም ዘለውዎ እዩ ዝግመት። ጀነራል ቡርሃን ዝርከቦም ላዕለዎት ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ሱዳን፡ ነቲ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ጽልዋ ናይቲ ኣዛዚ ናይዚ ወተሃደራዊ ሓይሊ RSF ዝዀነን ምክትል መራሒ’ቲ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ዓላዊ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ዝዀነ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ [ሕሜቲ] ንምቕልባስ፡ ነቶም እስላማውያን ክጥቀሙሎም ከም ዝኽእሉ ተንተንቲ ይግምቱ። እዚ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ዝመጽእ ዓመት ምርጫ ከም ዘካይድን ስልጣን ንሲቪላዊ መንግስቲ ከም ዘረክብን መብጽዓ ኣትዩ’ሎ። ኣብዚ እዋን፡ ኣሜሪካን ስዑዲያን ነቲ ኣብ መንጐ ጀነራላት ሱዳንን ሓይልታት ምቅስቓስ ናጽነትን ለውጥን ዘሎ ፍልልይ ንምትዕራቕ፡ ዘይወግዓዊ ዝርርባት የካይዳ ከም ዘለዋ ይፍለጥ። እንተዀነ፡ እቶም ኣንጻር’ቲ ዝተኻየድ ዕልዋ ደው ዝበሉ፡ ካብ ታሕቲ ተወዳዲቦም ናይ ዝቘሙ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት መራሕቲ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ወተሃደራት እምነት የብሎምን፣ ናዕብን ተቓውሞን ድማ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ዘሎ ስግኣት፡ እቶም ላዕለዎት ጀነራላት፡ ነቲ ዝካየድ ዝርርብ ይሓስብዎ ንዘለው - ሓደ ዘሕንኽ ምርጫ ኣካይድካ ብሓድሽ እስላማዊ ቀጽሪ [ን ኤንሲፒ ሓድሽ ስም ኣልቢስካ] ስልጣን ምጭባጥ ዝብል ናይ መወዳእታ ዕላማኦም - ቅቡል ንምግባር ክጥቀምሉ ይኽእሉ እዮም ዝብል እዩ። \"ንሳቶም [ኤንሲፒ] ብውደባዊ\/ትካላዊን ፋይናንሳውን ብልጫታቶም ኣብ ምርጫ እንተዝወዳደሩ ሕጉሳት ምዀኑ። እዚ እዩ እቲ ዘተሓሳስብ\" ይብል ላዕለዋይ ተንታኒ ትካል ‘ክራይስ ግሩፕ’ ዮናስ ሆርነር። ስለዚ፡ ሽማግለታት ተቓውሞ ሱዳን፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን ናብ መዓስከራቱ ክምለስ፡ ንሱዳን ናብ ዲሞክራስያዊ ምርጫ ክመርሓ ዝኽእል ሓድሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም እዮም ዝደልዩ። ነዚ ዕላማ’ዚ ክወቅዑ ይኽእሉ ዶ ኣይክእሉን ኣብዚ እዋን ንጹር ኣይኰነን። እንተዀነ ሓይልታት ናጽነትን ለውጥን ምስቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሓድሽ ምቕርሐ ስልጣን ከይሰማማዑን ሕድገታት ምእንቲ ከይገብሩን ግን ጸቕጢ ክገብሩ ተኽእሎ ኣሎ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72eej94dp2o"} {"headline":"ሱዳን፡ ኣብ መስርሕ ፍርዲ ኣልበሽር ዝተሰምዐ ዓሌታዊ ጸርፊ ቁጥዐ ፈጢሩ","content":"ጉዳይ ክሲ፡ ካብ ስልጣን ዝተኣልየ ፕረዚደንት ሱዳን ዝነበረ ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ስበስልጣናቱን ካብ ዝርኢ ዝነበረ ቤት ፍርዲ፡ ብቐጥታ ብተለቪዥን እናተመሓላለፈ፡ ዓሌታዊ ጸርፊ ተሰሚዑ። ነቲ ድሕሪ ዕልዋ ኣልበሽር እውን ንሰለስተ ዓመታት ዝቐጸለ፡ ጸረ-ዓሌትነት ካብ ምኽንያታቱ ዝገበረ ኣድማ ሱዳናውያን ከኣ መሊሱ ኣጕሂርዎ:: ጕጅለ ጠበቓታት ኣልበሽር፡ ኣብ ማእከል‘ቲ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ቤት ፍርዲ ኮፍ ኢሎም ንሓድሕዶም ክዘራረቡ እንከለው፡ እቲ ማይክሮፎን ክፉት ምንባሩ ፍጹም ኣየስተውዓሉን። ሓደ ካብኣቶም፡ “እዚ‘ባርያ’ ምስቲ ክፉእ ኣፍንጭኡ ክጽለአኒ መዓት እዩ . . .” ክብል ተሰምዐ። ብቛንቋ ዓረብ፡ ን ‘ባርያ’ ዝውክል፡ “ዓብድ” ዝብል ቃል፡ ንዘይኣዕራብ፡ ኣፍሪቃ ዝመበቈሎም ሱዳናውያን መጸውዒ\/መፍለዪ ዝዝውተር ቃል እዩ፤ ንጸለምቲ መጽረፊ ድማ። እቲ ዘረባ፡ ምስቲ ብተለቪዥን፡ ዩትዩብን ገጽ ፈይስቡክ ሱና - ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ዝፍኖ ዝነበረ መስርሕ ፍርዲ ምንም ምትሕሓዝ ኣይነበሮን። እቶም ሰባት ዝዘራረቡሉ ዝነበሩ ሉቕማን ኣሕመድ ዝተባህለ ዳይረክተር ኣገልግሎት ዜና መንግስቲ ዝዀነ ህቡብ ጋዜጠኛ ካብ ስርሑ ተባሪሩ እዩ። ኣሕመድ፡ ወኪል ቢቢሲ ዓረብ ዝነበረ፡ ወዲ ዳርፉር እዩ። ነዚ መዝነት’ዚ [ዳይረክተር] ዝተዋህቦ ድማ ድሕሪ ምእላይ ኣልበሽር፡ ኣብ መንጐ ወተሃደራትን ሲቪላውያንን ብዝተበጽሐ ምክፍፋል ስልጣን እዩ። ዝሓለፈ ጥቅምቲ፡ እቶም ጀነራላት ነቲ ውዕል ምክፍፋል ስልጣን ብምስራዝ፡ ዕልዋ ገይሮም። ኣሕመድ ግን ንዝሰዓበ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ሓላፍነቱ ጸኒሑ ነይሩ። እንተዀነ፡ ነቲ ጀነራል ርእሰ-ብሄር ብዘይምኽባርን፡ ብዛዕባኡ ዝዝርግሑ ዜናታት ኣብ እግሪ ወይ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል መጋዚን ከም ዝኸውን ብምግባርን ክኽሰስ ጸኒሑ። እታ ዘረባ ናይቶም ጠበቓታት እተርኢ ሓጻር ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መድያ ብቕልጡፍ ተዘርጊሓ። እቲ ብዋጋ ኣሕመድ ዝተገብረ ዓሌታዊ ጸርፊ ድማ ብብዙሓት ተወጊዙ’ሎ። ነቲ ኣብ 2019 ብደለይቲ ለውጢ ተቓወምቲ ዝዝመር ዝነበረ፡ “ኦ ኣንቱም ዕቡያት ዓሌታውያን፣ ብመላኣ ‘ዛ ሃገር እኮ ዳርፉር እያ!” ዝብል መዛሙር ድማ የዘኻኽር። እዚ፡ ናብቲ ኣብ 1989 ብዕልዋ ናብ ስልጣን ዝመጸን፡ ምስ ግጭት ዳርፉር ኣብ ዝተኣሳሰር ኣብ ዓለም ፍሉጥ ዝዀነን ዑመር ኣልበሽር ዝቐንዐ እዩ ነይሩ። ንሱ [ኣልበሽር]፡ እቶም ብመንግስቲ ዝድገፉ ብ ‘ጃንጃዊድ’ ዝፍለጡ ፈረሰኛታት ሚሊሻ ኣዕራብ፡ ኣብ ፈለማ 2000 ኣብ ልዕሊ’ቶም “ዙርጋ” ዝበሃሉ ጸለምቲ ተወለድቲ ‘ቲ ከባቢ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፡ ብገበን ኲናትን ምጽናት ዓሌት ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ተኸሲሱ ነይሩ። እቲ ብሓደ ካብ ጠበቓታት ኣልበሽር ዝተሰምዐ ዘረባ፡ ንተቓለስትን ደለይቲ ለውጥን፡ ሱዳን ንድሕሪት ተንደልህጽ ከም ዘላ ዘዘኻኸረ ነይሩ። ኣልበሽርን መሳርሕቱ ነበርን ገና ኣብ ፍርዲ እዮም ዘለው። እንተዀነ እቲ ዝለዓለ ወተሃደራዊ ኣዛዝነት ሒዙ ን 30 ዓመታት ነታ ሃገር ክመርሓ ዝጸንሐ ኣልበሽር፡ ኣብ ማሕቡስ ኣይኣተወን ዘሎ። ካብቲ ዝተኻየደሉ ዕልዋ ኣትሒዙ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሓደ ብሕታዊ ወተሃደራዊ ሆስፒታል እዩ ዘሎ። ብዙሓት ከም ዝግምትዎ’ውን እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጕጅለ ወተሃደራት፡ ኣብ መወዳእታኡ ኣብ ትሕቲ ናይ ገዛ ማሕዩር ናብ ገዛኡ ክሰዶ ይኽእል እዩ። እዚ ግን፡ ነቲ ንዕኡ ካብ ስልጣን ክእለ ዝገበረ ሰውራ ንድሕሪት ዝቕልብስ እዩ ተባሂሉ ድማ ይንቀፍ። “እዚ ውጽኢት ናይቲ ብልሽው ኣተሓሳስባ እዩ፡” ይብል መራሒ ሰልፊ ኮንግረስ ሱዳንን ኣባል ናይቲ ስልጣኑ ዝተሓድገ ሲቪላዊ ክፋል መንግስቲ ሱዳን ነበር፡ ኣብ ትዊተሩ። ኣብ ርእሲኡ፡ ‘ዳርፉር ባር’ ዝተባህለ ማሕበር፡ ኣብ ጐድኒ ኣሕመድ ደው ብምባል፡ ኣንጻር ጕጅለ ጠበቓታት ክሲ ኣበጊሱ’ሎ። ኣሕመድ ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ቓልሲ “ዓሌታውነት ኣብ ሱዳን ንምግታእ” ዝዓለመ እዩ ነይሩ። ከምዚ ዝበለ ቅሉዕ ዓሌታውነት፡ ኣብ ሓደ ወግዓዊ ኣጋጣሚ እሞ ድማ ካብ ናይ ሕጊ ሰባት ክትሰምዕ እንከለኻ ኣመና ዘሰንብድን ዘሻቕልን ምዃኑ፡ ኣሕመድ ይገልጽ። እቲ ጉዳይ ዝኸፍአ ዝገብሮ ድማ ሓደ ካብቶም ጠበቓታት፡ ‘ሃይማኖቱ ዘራኸሰ’ ኢሉ ክጸርፎ ምስምዑ እዩ። እቲ ሓቂ ግን ኣሕመድ ኣብታ ብዓብላልነት ምስልምና እትኽተል ሃገር - ሱዳን፣ ንሱ’ውን ሃይማኖቱ ዘኽብር ኣስላማይ ምዃኑ እዩ። ዓሌታዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ሱዳይ ድሕሪ ናጽነት - 1956 እዩ፡ ኣብ ብሕታውን መንግስታውን መሓውራት ከስፋሕፍሕ ተራእዩ። እዚ ኸኣ፡ ሓድጊታት ናይቲ ኣብ መበል 19 ክፍለዘመን፡ ኣውሮጳውያንን ኣዕራብን ነጋዶ፡ ንመሸጣ ዝዀኑ ምሩኻት ንምሓዝ ንደቡብ ገጾም ብምውራር ዝፈጠርዎ ንግዲ ገላዩ። እዚ ዓሌታዊ ኣጠማምታ፡ ንታሪኽ ናይታ ሃገር ዓብሊሉ፡ ኣብ ክሊ ልሂቃን ኻርቱም ደራኺ ሓይሊ ሒዙ ነዊሕ ሰሪቱ ዝጸንሐ እዩ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ደቡብ ሱዳን ናጽነታ ንኽትእውጅ ደፋኢ ምኽንያት ኰይኑ፤ ኣብቲ ዘይ-ኣዕራብ ህዝብታት ብብዝሒ ዝነብርዎ ግዝኣታት ደርፉር፡ ዝባውንቲ ኑባን ብሉ-ናይልን ’ውን ጸረ-ዓሌትነትን ኣድልዎን ቁጡዕ ምልዕዓላት ፈጢሩ። ዓሌትን ኣብ ሱዳን፡ እቲ ቐንዲ ማእከል ትዅረት ቤት ፍርዲ ሄግ እዩ። እንተዀነ፡ መራሕቲ ዕጡቓት ሚሊሽያ ጃንጃዊድ ዝነበሩ፡ ነቲ ዝቐርብ ክሲ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይነጽግዎ። እቲ ብ “ዓሊ ኩሻይብ” ዝፍለጥ ዓሊ መሓመድ-ዓሊ ዓብዱራሕማን፡ ኣብ ጉዳይ’ቲ ኣስታት 300,000 ሰባት ዘህለቐን፡ ንልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ቤት-ኣልቦ ዝገበረን ግጭት፡ ቀዳማይ ተኸሳሲ ኰይኑ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ እዩ። ድሕሪ’ዚ ኣብ ጥቅምቲ ዝተገብረ ዕልዋ፡ ጉዳይ ዓሌትነት፡ ጽልኢን ግርጭትን ዝቱኽቱዅን ዘረባታት ንህዝባዊ መድረኻት ብሒቶምዎ እዮም። ዳርፉር ከም እንደገና ማእከል ዓሌታዊ ግጭት ብምዃን ጠንቂ ብዙሓት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሱዳን ዝተራእየ ገበናትን ምልዕዓላት ክተከውን ተራእያ እያ። እቶም ካብ ኻርቱም ወጻኢ ዝነብሩ፡ ካብ ካልእ ዓሌት ዝዀኑ ጕጅለታት፡ ነቲ ብሞተር ብሽክለታን ዕጥቅን ዝስነ፡ ኣብ ጽርግያ ዝግበር ናዕቢ፡ ቀንዲ ተወቀስቲ እዮም። ማሕበራዊ ሜድያታት’ውን ዓሌታዊ ወጥሪ ዘጋድዱ፡ ጥርጡራት ክቕጥቀጡ፡ ክሳቕዩን ብዘይሕጋዊ ብይን ክቐተሉን ዘርኢ ኣሳእል ብብዝሒ የስፍሩ እዮም። እቶም ናዕበኛታት፡ እቲ ዝድግፍዎ ዝነበሩ ወተሃደራዊ ሓይሊ ስልጣን ድሕሪ ምብሓቱ፡ ‘ተጠሊምና’ ዝብል ስምዒት ሒዞም ምስቶም ኣንጻሮም ዝቃለሱ ዝነበሩ ተቓወምቲ ሓይልታት ዳርፉር፡ ኑባን ብሉ ናይልን ብኣድማዕነት ክተኣሳሰሩ ጀሚሮም ኣለው። ምክትል መራሒ ሱዳን፡ ሌተና ጀነራል መሓመድ ሓምዳን “ሕሜቲ” ዳጋሎ ግን፡ ነዚ ዅሉ ንረብሓ የውዕሎ’ሎ። [ንሱ] በቶም ልሂቃን ከም መጻእተኛ እዩ ዝርአ፣ ብወገን ዳርፉር ድማ፡ መራሒ ናይቲ ካብ ጃንጃዊድ ዝወጽአ፡ ቅልጡፍን ሓያልን ወተሃደራዊ ደጋፊ ሓይሊን ይርአ። እንተዀነ፡ እዚ ሕጂ ምስቶም ናይ ቅድም ጸላእቱ ዝነበሩ ተቓልስቲ ዳርፉርን ዕሱባት ሚሊሻን፡ ፈጢርዎ ዘሎ ሽርክነት፡ ስልጣኑ ዝያዳ ከዕሙቕ ዕድል ፈጢሩሉ’ሎ። ኣብ ርእሲ’ዚ መዛም ውህደት’ዚ፡ ሱዳን ንዓሌትነት ዝርኢ ሕጊ ስለዘይብላ፡ ኣሕመድ ብሕጊ ተማጕቱ ክረትዕ ዘሎ ተኽእሎ ኣመና ጸቢብ እዩ። እንተዀነ፡ ንሱ ይዅን ሰዓብቱ፡ ናይቲ ማሕበራዊ ውህደት ምትእስሳርን ’ታ ሃገር ዘዕኑ ዘሎ ዓሌትነትን፡ ንሱ ክፈጥሮ ዝኽእል ለውጥን መርኣያ ክኸውን ከም ዝኽእል ይትስፈው።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61176101"} {"headline":"ሱዳን፡ ስለምንታይ እዮም ጃንጃዊድ ኣብ ዳርፉር ዳግማይ መጥቃዕቲ ፈጺሞም?","content":"ቅድሚ ገለ መዓልታት ብፈረስ ብዝጋልቡ ጃንጂውድ ሚሊሻታት ዓረብ፡ ከተመኦም ዝተባርዐቶም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ነብሶም ከድሕኑ ኣብ ዞባ ዳርፉር ሱዳን ናብ እትርከብ ዓባይ ከተማ ምስ ኣተው ከቢድ መጥቃዕቲ ኣጋጢሙዎም። ኮሚተ ሓካይም ሱዳን \"ኣብ ታሪኽ ጂኒና ንፈለማ እዋን ኵለን ትካላት ጥዕና ተዓጽየን ኣለዋ። ኩሉ ሕክምናታት ከኣ ካብ ስራሕ ጠጠው ኢሉ'ሎ\" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። እቲ ብ2003 ዝጀመረ ግጭት ዳርፉር ኣብቲ ኣስታት 300 ሽሕ ሰባት ዝሞቱሉን ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ብዘይ መንበሪ ዝተረፉሉን እዋን ኣብያተ ሕክምና ስርሑ ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን እዩ. ሕጂ ግን ኩሉ ኣገልግሎት ጥዕና ደው ኢሉ ኣሎ። ኣብ ጂኒና ዝነብር ሓደ ሰራሕተኛ ረድኤት ንሱን መሳርሕቱን ኣብ ውሑስ ገዛ ከም ዘለው ኣብ መላእ እታ ከተማ ግን ተዅሲ ከም ዘሎ ንቢቢሲ ሓቢራ። እቲ ኣብዚ ቐረባ መዓልታት ዝተኸስተ ህይወት 200 ሰባት ዝቐዘፈ ግጭት ካብ ጄኔና 80 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ክሪኒክ እዩ ጀሚሩ። ኣብ ደቡብ እታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ደምበታት ዝነብሩ ዝነበሩ ብዙሓት ስድራቤታት ከኣ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘጋጠመ ሃደን ጃንጃዊድ ፈሪሖም መንበሪኦም ገዲፎም ይሃድሙ ኣለው። እቲ ብመሬት ዘጋጠመ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ግጭት ኣብ መንጎ እቶም ሰበኽ ሳግም ኣዕራብን ኣባላት ማሕበረሰብ ማሳሊትን ውግእ ኣላዒሉ። ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ኣብታ ብጃንጃዊድ ዓረብ ዝተፈናቐሉ ጸሊም ሕብረተሰብ ዝነብረላ ከተማ ክሬኒክ ክልተ ሰበኽ ሳግም ዓረብ ምስተቐትሉ እዪ እቲ ግጭት ተጓሃሂሩ። ዓርቢ ንግሆ ጃንጃዊድ ዕጡቓት፡ ነቶም ኣብ ከባቢ ክሬኒክ ዝተቐትሉ ክልተ ዓረብ ሰበኽ ሳግም ዓሌቱ ሕነ ንምፍዳይ፡ ንክሬኒክ ብምጥቃዕ ትሽዓተ ሰባት ቀቲሎም 16 ድማ ቈሲሎም ። ብሰንበት ድማ፡ ኣቐዲሙ ካብ ጃንጃዊድ ዝተወልደ ናይ ሱዳን ፈጥኖ ኣብቲ መጥቃዕቲ ስለ ዝተሳተፈ እቲ መጥቃዕቲ ተጋዲዱ። እቶም ዕጡቓት 4x4 ብዝዓይነተን ተሽከርከርቲ፡ ሰብ ሞተር ብሽክለታ፡ ኣግማልን ኣፍራስን ዝጋልቡ ሰባት ብብረት መጥቃዕቲ ከም ዘውረዱ ናይ ክሬኒክ ማሕበር ወለንተኛታት መንእሰያት ዝተባህለ ጉጅለ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እተዘርገሐ ገና ብነጻ ኣካል ዘይተረጋገጸ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ብዙሓት ኣዕራብ ተዋጋእቲ፡ ኣብ ፒክ ኣፕ መካይንን ሞተር ብሽክለታን ኰይኖም መጥቃዕቲ ክፍንዉ እንከለዉ ዘርኢ ቪድዮ ተዘርጊሑ ኣሎ። ኣብቲ ቪድዮ ከኣ ኣባላት ፈጥኖ ደራሽ RSF ብድኻም ተጠቒዖም ከም ዝነበሩ የርኢ። እቶም ዕጡቓት ኣብያተ ትምህርትን ክሊኒካትን እውን ከም ዘይነሓፋ ፡ ሽዱሽተ መምህራን ድማ በቲ ወራር ከም እተቐትሉ ምንጭታት እታ ሃገር ሓቢሮም ። \"ክልተ ሰራሕተኛታት ሕክምና ዝርከብዎም ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም። እቲ ናይ ሆስፒታል ፋርማሲ እውን ተዘሪፉ እዩ\" ክብል ኤም ኤስ ኤፍ ዝተባህለ ትካል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ ። ዓቀብቲ ሰላም ው.ሕ.ሃ. ንሓያሎ ዓመታት ሰላም ከስፍኑ እኳ እንተ ጸዓሩ ናይ ስራሕ ዕድመኦም ኣብ መወዳእታ 2020 ምስ ኣብቀዐ፡ ኣብቲ ከባቢ ምምቕቓል ስለ ዝነበረ ናብ ካልእ ቦታ ግዒዞም። ይኹን እምበር ኣብቲ ቦታ ኣብ እተዋፈርሉ እዋን እውን እንተዀነ ግን ከምዚ ናይ ሕጂ ዝኣመሰለ ጭካነ ዝተመልኦ መጥቃዕቲ ደው ከብልዎ ኣይከኣሉን ነይሮም ። እቲ ኣብ ዳርፉር ሰላምን ምርግጋእን ከሰፍን ዝተዋፈረ ሓይሊ ብፖሊስ፣ ሰራዊት፣ ፈጥኖ ደራሽ (RSF)ን በቶም ኣብ 2020 ሰላም ዝፈረሙ ዕጡቓት ተቓወምቲ ጉጅለታትን ዝቘመ ሓባራዊ ሓይሊ እዩ ነይሩ ። ይኹን እምበር ኵሎም ነንሓድሕዶም ክወዳደሩ ይደልዩ ስለዝነበሩ ከም ሓደ ግንባር ኮይኖም ክሰርሑ ኣይከኣሉን። ንኣብነት እቲ ሓይሊ ፖሊስ ብዙሓት ተወለድቲ ዓረብ ዘይኮኑ ካብ ሕብረተሰብ ማሳሊት ኣባላት ኣለውዎ። እቲ ፈጥኖ ደራሽ ዝበሃል ሓይሊ ግን ብዙሓት ናይ ቀደም ኣባላት ጃንጃዊድ ኣለውዎ። ገለ ካብዚኣቶም ከኣ ኣብዚ ናይ ቀረባ እዋን ውግእ ከሳተፉ እንከለው ዝተታሕዙ ኣለው። እቲ ንክሬኒክ ንኽከላኸል ኣብቲ ከባቢ ዝተዋፈረ ኣሃዱ፡ ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ ምግጣሙ ካብ ቦታኡ ከም ዘልገሰ፡ እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ሰባት ገሊጾም ። ጃንጃወድን ናይ መንግስቲ ፈጥኖ ደራሽን ካብ ክሬኒክ ክሳብ ጂኒና ንዝነበሩ ተዋጋእቲ የጓይዩዎም ነይሮም። ዓሌታዊ ውጥረት እናበርትዐ ምስ ከደ ድማ ምዕጻው ኣገልግሎት ሆስፒታል ምምዝባል ሰራሕተኛታት ጥዕናን ኣኸቲሉ። ጂኒና ናይ ጸሊም ዓሌት ምልክትን ልምዳዊት ርእሲ ከተማ ናይ ምምሕዳር ማሳሊት እያ። ስለ ዝኾነ እቶም ኣብ ዳርፉር ብምጽናት ዓሌት ዝኽሰሱ ጃንጃዊድ ብንዕቀት እዮም ዝርእዩዋ። ኣብ 2003 መብዛሕትኦም እቶም ኣዕራብ ዘይኰኑ ሰባት ብሰንኪ ኣድልዎን ጉድለት ምዕባለን ኣንጻር መንግስቲ ብረት ስለዘልዓሉ እዩ እቲ ናይ ዳርፉር ግጭት ተወሊዑ። እቲ መንግስቲ ከኣ ሕነ ናይቶም ለውጢ ብምጥላብ ብረት ዘልዓሉ ተቓወምቲ ንጃንጃዊድ ብምዕጣቕ ስጉምቲ ወሲዱ። እቲ ሽዑ ኣብ መላእ ዓለም ነውጺ ዝፈጠረ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ንምግታእ ዓለም ዓቀብቲ ሰላም ብምውፋር ነገበነኛታት ናይ ማእሰርቲ ውሳነ ኣውጺኣ። ጂኒና ካብ 2019 ኣትሒዛ ንሳልሳይ ግዜኣ እያ መጥቃዕቲ ዘጋጥማ ዘሎ። ንኣስታት 30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንእተ ዑመር ኣል-በሽር ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት እዚ ብብርቱዕ ግጭት ብዙሓት ሰባት ሞይቶም ቆሲሎም ከምኡ'ውን ኣብ ከባቢ ጀበል ሙን ብሰሜን ጂኒና ሓያሎ ኣቝሻት ሓሪሮም። ዳርፉር ብወርቂ ሃብታም ስለዝኾነ ወራር ጃንጃዊ ነቲ ጸጋታት ንምቁጽጻር እዩ ዝብል ክስታት እውን ኣሎ። እቲ ካብ 2003 ኣትሒዙ ካብ መንበሪኦም ንዝሃደሙ ሰባት ዘዕቁብ ዘሎ መዓስከራት ዘመሓድር ኮሚተ ኣፈኛ ኣዳም ራጃል እቲ ዝግበር ዘሎ መጥቃዕቲ ነቲ ሰፈራታት ንምፍራስ ዝዓለመ ፈተነ ምዃኑ እውን ሓቢሩ ኣሎ ። ኣብ ዳርፉር ተፈጺሙ ብዝበሃል ገበናት ኲናት ዝኽሰሱ ሰባት ብጽሕፍቶ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት (ICC) መርመራ ክቐርብ እዩ ዝበሃል ጃንጃዊ መራሒኦም ከም ዝሻቐሉ እዩ ዝእምት ። ዓሊ ኩሻይብ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓሊ ሙሓመድ ዓሊ ዓብዱራሕማን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ፈጺሙ ንዝብል ክስታት ነጺግዎ ኣሎ። ንሱ እቲ ብ ICC ኣብ ልዕሊ ግጭት ዳርፉር ዝተኸሰ ናይ መጀመርታ ሰብ እዩ። በሽር እውን ፈጺሙዎ ብዝበሃል ገበናት ውግእን ጃምላዊ ቅትለትን ክተሓዝ ብቤት ፍርዲ ይድለ እዩ። ራጃል፡ \"እቲ ዕላማ፡ ከተማታት ምምንዛዕን ነቲ መዓስከራት ምፍራስን እዩ። እዚ ሕጂ ኣብ መዓስከራት ኢዴፓ ዝርአ ዘሎ ከኣ መቐጸልታ ናይቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ስርዓት ዝፈጸሞ ገበናት ጃምላዊ ቅትለት ፡ ምጽናት ዓሌት ፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበናት ውግእን እዩ\" ኢሉ ። ኣመሓዳሪ ዞባ ዳርፉር ሚንኒ ሚንናዊ፡ መራሒ ደባይ ተዋጋኢ ዝነበረ ፡ እቶም ኣብ ካርቱም ዘለው ሰበ-ስልጣን ንRSF ክቆጻጸሩዎ እኹል ዓቕሚ የብሎምን ክብል ኸሲስዎም ኣሎ ። እንተኾነ ሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር ኣብቲ መንግስቲ ብዙሕ ቦታ ሒዙ ኣሎ። መራሒኡ ሌተናል ጀነራል መሓመድ ሓምዳን \"ሄሜቲ\" ዳጎሎ ድማ ምክትል መራሒ ሱዳን እዩ ። እቲ ጫዳዊ ዓረብ ዝመበቆሉ ኣብ ዳርፉር ዝዓበየ ሄሜቲ ንኣባልነት ፈጥኖ ደረሽ ካብ መላእ እታ ሃገር ብዝመጹ ተዋጋእቲ ኣስፊሕዎ እዩ ። ነቲ ኣብ ዳርፉር ዝካየድ ዘሎ ሓድሕዳዊ ግጭት ከኣ ፖለቲካዊ ድሌቱ ንምጉልባት ይጥቀመሉ ከም ዘሎ ተዓዘብቲ ይዛረቡ ። ጃንጃዌድ ካብ ጫድን ካብ ካልኦት ሃገራት ሳሕልን ዝመጹ ኣዕራብ ዕጡቓት ከም ዝመልመለ ካብ ዝኽሰስ ነዊሕ እዋን ገይሩ እዩ። ኣብ ርእሲኡ ኣብ ዳርፉር ፖለቲካዊ ስልጣን ንምጭባጥ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ጻዕሪ ንስድራቤቶም ከምጽእዎም ዘተባብዕ እዩ ። ጀነራል ሄሜቲ ዳጎሎ ብዛዕባ እቲ ኽሲ ወይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ምዕራብ ዳርፉር እተራእየ ጎንጺ ርእይቶ ሂቡ ኣይፈልጥን እዩ። እንተኾነ ኣብቲ ዝሃቦ ህዝባዊ መግለጺ፡ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ዳርፉር ብሰላም ክነብሩ'ዩ ዝጽውዕ ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61213342"} {"headline":"ሱዳን ኣብ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳውብ ግዝኣታ ሰዓታት እቶ እቶ ኣዊጃ","content":"ሰበስልጣን ሱዳን ‘ብሉ ኒል’ ኣብ ዝብሃል ግዝኣት ብዘጋጠመ ጎንፂ ቀቢላታት ብዙሓት ሰባት ድሕሪ ምሟቶም ኣብ ሰዓታት ምሸት ኣዋጅ እቶ እቶ ኣዊጆም። ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘዳወብ ግዝኣት ብሉ ኒል፡ ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ንመዓልታት ድሕሪ ዘጋጠመ ጎንጺ፡ 31 ሰባት ብምሟቶም፡ እቲ ኣዋጅ ከምዝተኣወጀ ሮይተርስ ፀብፂቡ። ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ሓደ ሓረስታይ ምስተቐተለ ዝተወልዐ ግጭት ኣካላት ፀጥታ ኣብ ሞንጎ ኣትዮም ቅድሚ ምቁፅፃሮም፡ ናብ ሓያሎ ከባቢታት ከምዝተዘርገሐ ምምሕዳር ግዝኣት ብሉ ኒል ዘውፀኦ መግለፂ ኣመልኪቱ። ብዘይካ እቶም ዝሞቱ ሰባት ካልኦት 39 ሰባት ከምዝቖሰሉን 16 ሹቓት ከምዝዓነዉን እቲ ምምሕዳር ወሲኹ ገሊፁ። ነዚ ስዒቡ ኣብ ከተማታት ዳማዚን ሮዛሳይሪስን ኣብ ሰዓታት ምሸት እቶ እቶ ተኣዊጁ ኣሎ። ነበርቲ እቲ ከባቢ ንወኪል ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ዘይተዋፈሩሎም ብዙሓት ከባብታት እቲ ግዝኣት፡ ትማሊ ቀዳም’ውን ኣብ መንጎ ቀቢላታት ጎንጺ ከምዝቐጸለ ሓቢሮም። ማሕበር ዶካትር ሱዳን ነቲ ክስተት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብቀዳም’ውን ጉድኣት ዝበጽሖም ተወሰኽቲ ሰባት ናብ ሆስፒታላት ዳማዚን ሮሳይሪስን ይመጹ ከምዝነበሩ የመልክት። ብተወሳኺ እቶም ሆስፒታላት እኹል ናውቲ ሕክምና ስለዘይብሎም ሚኒስቴር ጥዕና እታ ሃገር ደገፍ ክገብርን ነቶም ዝተጎድኡ ሰባት ብነፋሪት ናብ ካልኦት ቦታታት ክወስድን እቲ ማሕበር ሓቲቱ። ኣብ መንጎ እቶም ዓመጽቲ ጉጅለታት ቅድሚ ክልተ ዓመት ሃገራዊ ስምምዕ ሰላም እንተተፈረመ’ኳ፡ ሓሓሊፉ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕርን ምዕራብ ዳርፉርን ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ግዝኣታት ሱዳን ተመሳሰልቲ ግጭታት ክረኣዩ ፀኒሖም’ዮም። ንኣሽቱ ዓመፅቲ ጉጅለታት ነቲ ስምምዕ ሰላም ክፍርሙ እንከለዉ፡ እቲ ኣብ ደቡብ ኮርዶፋን ሎሚ ግጭት ኣብ ዘጋጠመሉ ግዝኣትን ዝንቀሳቐስ ኣብታ ሃገር ዝሓየለ ከምዝኾነ ዝዝረበሉ ምንቅስቓስ ሓርነት ህዝቢ ሰሜን ሱዳን ግን ነቲ ስምምዕ ኣይፈረመን። ጸብጻብ ኤኤፍፒ ከምዘመልክቶ፡ እቲ ሎሚ ምኽንያት ሞት ብዙሓት ሰባት ዝኾነ ግጭት፡ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ቀቢላታት ሃውሳን በርቲን ዝተፈጠረ ናይ መሬት ይግብኣኒ ዘይምርድዳእ ዝሰዓበ እዩ። ፖለቲካዊ ሓይልታት ሱዳን ኣብታ ግዝኣት ዝካየድ ዘሎ ግጭት ደው ኢሉ ምርግጋእ ክፍጠር ይጽውዑ እኳ እንተሃለዉ፡ እቲ ብጀነራል ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ግን ዛጊት ብዛዕባ’ቲ ግጭት ዝበሎ ነገር የለን። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ መሰጋገሪ መንግስቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ድሕሪ ምክያዱ፡ ኣብታ ሃገር ናይ ጸጥታ ክፍተት ከምዘሎ ዘመልክት ኤኤፍፒ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ መሬት ይግብኣኒ ብዝብል ሕቶ ከምኡ’ውን ብሰንኪ ጥሪት (ሃብቲ እንስሳት)፡ ማይን መግብን ዝውላዕ ደማዊ ግጭታት ይላባዕ ምህላዉ ጠቒሱ። እቲ ብጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ዕልዋ መንግስቲ ብምፍፃም ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር ንዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ ኣንፃሩ ሰልፍታት ተቓውሞታት ኣብ ምክያድ ይርከቡ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3gewxxlz25o"} {"headline":"ኢትዮጵያ ንጐረባብቲ ሃገራት እትሸጦ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከመይ ይመስል?","content":"ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ናብ ጐረቤት ሃገር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክትሸይጥ ዝጀመረትሉ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2003 [ግእዝ] ናብ ጂቡቲ እዩ። ኢትዮጵያ፡ ካብ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ብዝተረኸበ 95 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ዝተሃነጸ መስመር መተሓላለፊ ኤሌክትሪክ ኣቢላ፡ ንጂቡቲ ዓመታዊ 22 ሜጋ ዋት ክትሸጠላ ጀሚራ። 'ግልገል ግቤ -ክልተ' ዝተባህለ መመንጨዊ ጸዓት ብዘጋጠሞ ቴክኒካዊ ፀገም ስለ ዝተዓፀወ፡ ካብቲ ክዛዘም ዝተሓሰበሉ እዋን ሓደ ዓመት ደንጉዩ'ዩ ናብ ስራሕ ኣትዩ። ኢትዮጵያ ኣብቲ እዋን ካብ ዝነበረ መሸጣ ሓይሊ ዓመታዊ 10 ሚልዮን ዶላር ትረክብ ከም ዝነበረት፡ ንቝጠባ ሃገራት ኣተኲሩ ትንበያታት ዘውጽእን መጽናዕቲ ዘካይድን 'ኢኮኖሚክ ኢንተለጀንስ ዩኒት' ዘውጽኦ መረዳእታ የመልክት። ካብቲ ንጂቡቲ ኤሌክትሪክ ብምሻጥ ዝርከብ ኣታዊ ፡ ኣብ ገለ ገጠራት ኢትዮጵያ ንዝርከብ ህዝቢ መስመር ኤሌክትሪክ ክዝርግሓሎምን ብሓፈሻ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ቀረብ ኤሌክትሪክ ንምሕያልን ውጥን ተታሒዙ ነይሩ። ኢትዮጵያ፡ ኤሌክትሪክ ምሻጥ ካብ እትጅምር፡ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመታት፡ ማለት ኣብ 2013 [ግእዝ] ድማ 90 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ክትረክብ ክኢላ እያ። ንጂቡቲ 22 ሜጋ ዋት ብምሻጥ ዝጀመረት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ማእከል ሓይሊ (ጸዓት) ኣፍሪቃ ንምዃን ናይ 10 ዓመታት ፍኖተ-ካርታ ኣዳልያ'ላ። ብሓፈሻ መጠን እተመንጭዎ ሓይሊ ኣብ 2022 ናብ 20 ሽሕ ክተብፅሖ ከምኡ ድማ እቲ ንሃገራት እትሸጦ ናብ 7 ሽሕን 184 ጊጋ ዋት ከተብፅሖ መደብ ኣለዋ። ኣብዚ እዋን ንሱዳንን ጂቡትን ሓይሊ ትሸይጥ ዘላ ክትከውን እንከላ፡ ናብ ኬንያ'ውን መስመር ካብ እትዝርግሕ ሓደ ዓመት ሓሊፉ'ሎ፤ ኣብ ቀረባ እዋን ክጅምር ከኣ ትፅቢት ይግበር። ኢትዮጵያ ካብ ማይ፡ ንፋስ፡ ሃፋን ብርሃን ጸሓይን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምምንጫው ንጐረባብቲ ሃገራት ናይ ምሻጥ ትልሚ ሒዛ ኣብ ምስራሕ ትርከብ። ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ብመሸጣ ሓይሊ ምትእስሳር ብምፍጣር ንጂቡትን ሱዳንን ካብ እተቕርቦ ዓመታዊ 70 ሚልዮን ዶላር ክትረክብ ትእምት። ብመሰረት'ቲ ምስተን ሃገራት ዝተበጽሐ ስምምዕ 100 ሜጋ ዋት ንምቕራብ ከም ዝተሓሰበን እዚ ግን ክውስኽ ወይ ክንክይኪ ከም ዝኽእል ኣብ ኮርፖሬሽን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዳይሬክተር ኮሚዩኒኬሽን ኣይተ ሞጎስ መኮነን ይዛረብ። መረዳእታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ናብ ሱዳን ዝተሸጠ ሓይሊ ኤሌክትሪክ እንተርኢና፣ 746.9 ሚልዮን ኪሎ ዋት ሰዓት [KWH] ንምሻጥ ውጥን ተታሒዙ'ኳ እንተነበረ፡ ካብቲ ውጥን ብ4 ሚእታዊት በሊጹ 774.2 ሚልዮን ኪሎ ዋት ንግዲ ከም ዝተፈጸመ የመልክት። ናብ ጂቡቲ'ውን 385 ሚልዮን ኪሎ ዋት ንምሻጥ ተሓሲቡ ግን ከኣ 427.1 ሚልዮን ኪሎ ዋት ተሸይጡ'ሎ። በዚ መሰረት ካብቲ ንሱዳን ዝተሸጠ ኤሌክትሪክ 38.7 ሚልዮን ከምኡ ድማ ንጂቡቲ ካብ ዝተሸጠ 27.8 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ረኺባ። ነተን ጐረባብቲ ኢትዮጵያ ዝዀና ሃገራት ካብ ዝሽየጥ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዓመታዊ 70 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ንምርካብ ትልሚ ይተሓዝ እምበር፡ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ግን ይውስኽ ከም ዘሎ ኣይተ ሞገስ ይዛረብ። ክሳብ ሎሚ ካብ ዝተረኸበ ኣታዊ እቲ ዝለዓለ ኮይኑ ዝተመዝገበ ዝሓለፈ ዓመት [2013] እዩ ነይሩ፣ ኣስታት 90 ሚልዮን ዶላር ድማ ተረኺቡ። ቅድሚ ክልተ ዓመታት እቶም ሓይሊ ዘመንጭዉ ግድባት እዅል ማይ ብዘይምሓዞም ንዘጋጠመ ሕጽረት ሓይሊ ስዒቡ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምቁርራፅን ኣብቲ ናብ ሱዳን ዝሽየጥ ድማ ብፈረቓ ምቕራብን ኣጋጢሙ ነይሩ። ዝነበረ ሕፅረት ዝናብ ብፍላይ ሰለስተ ግድባት (ዲጋታት) ማለት ቆቃ፡ መልካን ዋከናን እዅል ማይ ከይሕዙ ከም ዝገበሮም ይግለፅ። ኣብቲ እዋን ሱዳን ዝለዓለ ሓይሊ ትጠልብ ምንባራ ዘዘኻኽር ኣቶ ሞገስ፡ ግን ድማ እቲ ናይ ውሽጢ ሃገር ጠለብ'ውን ክማላእ ብዘይምኽኣሉ እቲ ናብ ደገ ዝቐርብ መሸጣ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ተቛሪፁ ከም ዝነበረ ይሕብር። በዚ ምኽንያት እቲ ዓመታዊ እቶት ናብ ትሕቲ 60 ሚልዮን ዶላር ወሪዱ። ሱዳን ኣብዚ ዓመት ዘይከፈለቶ ዕዳ ዕድጊ ጸዓት ስለ ዘለዋ፡ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ናብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሱዳን ክፍሊት ዝሓትት ደብዳበ ከም ዝእተወ ይግለፅ። ብወገን ሱዳን ዝተወሃበ ምላሽ፡ እታ ሃገር ኣብ በዳሂ ኵነታት ከምእትርከብ ዝገልፅን እቲ ቀረብ ከይቋረፅ ዝሓትትን ከም ዝዀነ ኣይተ ሞገስ ኣረዲኡ'ሎ። ቅድሚ ሎሚ ክሳብ ሰለስተ ኣዋርሕ ክፍሊት ከይተፈጸመ ዝድንጉየሉ ኵነታት ከም ዝነበረ ብምዝኽኻር ድማ እቲ ናይ ሕዚ ግን 6 ወርሒ ከም ዝሓለፎ ተዛሪቡ። ኢትዮጵያ ንኬንያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክትሸጠላ ካብ እትውጥንን ናብ ስራሕ ካብ እኣቱን ዓመታት ሓሊፎም ኣለው። ክልቲአን ሃገራት ስምምዕ መሸጣን ዕድጊን ኤሌክትሪክ ካብ ዝፈራረማ ዓሰርተ ዓመታት ኰይኑ'ሎ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብ መንጐ ሚኒስተር ማይን መስኖን ነበር ኣይተ ኣለማየሁ ተገኑን ሚኒስትር ጸዓት ኬንያን ዝተገብረ ስምምዕ፡ እቲ መሸጣ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት [ድሕሪ ምፍርራም] ከም ዝጅምር ዘመልክት ምንባሩ ፀብፃባት ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ የመልክቱ። ህንጸት ንምብራቕ ኣፍሪቃ ብቐረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ምትእስሳር ዝለዓለ ብጽሒት ከም ዝህልዎ ዝንገረሉን ብ1.3 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ዝተገብረሉን ፕሮጀክት ዝርግሐ መስመር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከም ዝዛዘመቶ ይፍለጥ። ወጻእታት ናይዚ ድማ ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ 684 ሚልዮን ዶላር፣ ካብ ኢትዮጵያ 441 ሚልዮን ከምኡ ድማ 27.4 ሚልዮን ካብ ኬንያ ይሽፈን። ባንክ ልምዓት ኣፍሪካ ብወገኑ ነቲ ካብ ኢትዮጵያ ግድብ ግልገል ግቤ ዝቐርብ ጸዓት መተሓላላፊ ዝኸውን መስመር ንምዝርጋሕ ዝውዕል ንኢትዮጵያ 232 ሚልዮን ዶላር ንኬንያ ድማ 116 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ኣጽዲቑ'ዩ። ብወገን ኢትዮጵያ ዝርግሐ መስመር፡ ፈተሻን ፈተነን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ኳ እንተተኻየደ፡ ብወገን ኬንያ ግን ዘይተመልኡ ስራሓት ዝርግሐ መስመርን ምትካል ዓንዲታት ኤሌክትሪክን ብምህላዎም እቲ መሸጣ ከም ዝተደናጐየ ይግለፅ። ኣብ ወርሒ መስከረም 2014 [ግእዝ] ብሚኒስትር ጸዓት ኬንያ ዝተመርሐ ጕጅለ ልኡኽ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ ምንባሩ ዝዛረብ ኣይተ ሞገስ፡ ኣብቲ ስምምዕ ዝተረፉ ነገራት ንምምላእን እቲ ፕሮጀክት ክዛዘምን ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐን ይገልፅ። ኣብዚ ቕነ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ጉዳይ መሸጣ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሓበራዊ ስምምዕ ተፈራሪመን ኣለዋ። ብሚኒስትር ጸዓትን ግድብን ደቡብ ሱዳን ዝተመርሐ ጕጅለ ልኡኽ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ እቲ መሸጣ ሓይሊ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ክጅመር ዘኽእል ስምምዕ ተፈራሪሙ'ሎ። እቲ መሸጣ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ክጅመር ዝተወሰነሉ ምኽንያት ድማ ቅድሚኡ ዝስርሑ ስራሓት ስለ ዘለዉ እዩ። ኣብቲ ፈላማይ ዓመት ክልተአን ሃገራት ዝርግሐ መስመር ዝካየደሎም ከባቢታት ኣብ ምምራጽን፡ ግብራውነት እቲ መሸጣ ብዝተሓሓዝ መጽናዕቲ ዘካይድን ጕጅለ ተክኒክ ከቝማ እየን። ብድሕሪኡ ኣብ ዘለዉ ክልተ ዓመታት ድማ ዝርግሐ መስመር ክካየድ፣ እቲ ህንጸት ከኣ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ክፍጸም ተገሚቱ'ሎ። እቲ ቀዳማይ መስመር 357 ኪሎ ሜትር ንውሓት ዘለዎ ኰይኑ፡ ካብ ጋምቤላ ናብ ደቡብ ሱዳን ግዝኣት ማላካል ይበጽሕ፤ 230 ኪሎቮልት ሓይሊ ድማ የመሓላልፍ። ካልኣይ 700 ኪሎ ሜትር ንውሓት ዘለዎ መስመር፡ ካብ ቴፒ ናብ ቦር ጁባ ይዝርጋሕ። ካብ 400 ክሳብ 500 ኪሎቮልት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከኣ ይስከም። ህንፀት ምስተዛዘመ ኣብ ፈላማይ ዓመት 100 ሜጋዋት ኤሌክትሪክ ንምሻጥ ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ይግለጽ፣ ኣብ ግዜ ክውስኽ ከም ዝኽእል ተሓቢሩ'ሎ። እቲ ዝለዓለ ንደቡብ ሱዳን ክሽየጥ ዝኽእል ግን ካብ 400 ሜጋ ዋት ከምዘይበልፅ'ዩ ኣብ ስምምዕ ዘመልክት። ኢትዮጵያ ኣብ ነዊሕ እዋን ውጥና ንሶማሊ ላንድ፡ ርዋንዳ፡ ታንዛንያን ብሩንዲን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምሻጥ መደብ ኣለዋ። እንተዀነ ስምምዓት ተኻይዶም፤ ዝርግሐ ትሕተ ቅርጺ ንምስላጥ ዓመታት ዝወስድ ከም ዝዀነ ኣብ ኮርፖረሽን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዳይረክተር ኮሚዩኒኬሽን ኣይተ ሞገስ ይዛረብ። እተን ጐረባብቲ ኢትዮጵያ ዝዀና ሃገራት ጸዓት ንምዕዳግ ድልየት ከም ዘለወን ምግላጸንን፡ ሱዳን ከኣ ተወሳኺ ክቐርበላ ትሓትት ምህላዋን ወሲኹ ሓቢሩ። ሱዳን 1200 ተወሳኺ 1 ሽሕን 200 ሜጋ ዋት ክቐርበላ'ያ ትሓትት ኣላ። \"ነዚ ሱዳን ትጠልቦ ዘላ 1200 ሜጋ ዋት ከነቕርብ ዓቕሚ የብልናን። እቲ ዘሎና ትሕተ ቅርጺ'ውን ነዚ ዘፍቅድ ኣይኮነን። ኣብ ግዜ ግን እዚ ሕቶ መልሲ ክረክብ ይኽእል'ዩ፡\" ይብል ኣይተ ሞገስ። ኣብዚ እዋን ንሱዳን ብመሸጣ ዝቐርበላ ዘሎ ሓይሊ፡ ክሳብ 300 ሜጋ ዋት ይበፅሕ። እቲ ዳይረክተር፡ እቲ ካብ ሃገራት ዝቐረብ ጠለብ ምስቲ ዘሎ ቀረብ ዘይመጠጣን ምዃኑ ከም ሓደ ጸገም ይጠቅስ። ቀዳምነት ዝወሃቦ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ጠለብ ስለ ዝዀነ፡ ብሰንኪ እቶም ስምምዓት ኣብ ናይ ውሽጢ ዓዲ ቀረብ ምስንኻል እንተ ተፈጢሩ ነቶም ስምምዓት ምሉእ ብምሉእ ክሳብ ምቁራፅ ከም ዝብጻሕ ብወገን ኢትዮጵያ ይግለፅ። ኣይተ ሞገስ ነዚ ብኣብነት ከደግፍ ከሎ፡ ኣብ 2011 [ግእዝ] ሕጽረት ሓይሊ ኣጋጢሙ ብምንባሩ እቲ ናብ ሱዳን ዝቐረብ ብምሉእ ክቋረጽ፡ ካብ ናይ ጂቡቲ ድማ ብፍርቂ ክጐድል ተገይሩ ምንባሩ ይጥቀስ። እዚ ግን ነተን ዝዕድጋ ሃገራት ከም ዘየሕጕሰን ካብ ምግላፅ ኣይተዓቀበን። ኢትዮጵያ ንመሸጣ እተቕርቦ ጸዓት፡ ካብቲ ብሓፈሻ እተመንጭዎ ክሳብ 10 ሚእታዊት ጥራሕ ከም ዝዀነ ዘነፅር መስርሕ ንግዲ ተዳልዩ'ሎ። ኢትዮጵያ፡ ህንጸት 6 ሽሕ ሜጋ ዋት ከመንጩ ዝኽእል ግድብ ህዳሰ ትዛዝም ብምህላዋ፡ እተመንጭዎ ሓይሊ ከም ዝውስኽ ብምግባር ነቲ ናብ ሃገራት እተቕርቦ መሸጣ ብ10 ሚእታዊት ክብ ከም ዘብሎ ይእመን። \"ልዑል ሓይሊ ኣፍሪና ኢና ኢልና ንዘመንጨናዮ ሰደድ ኣይንገብርን፤ ኣብ ሃገርና ጠለብ ኣሎ። ትሕተ ቅርጺ ኤሌክትሪክ ናይ ምስፍሕፋሕ መደባት'ውን ኣሎ። እዚኦም እናሃለዉ ዝመንጨወ ጸዓት ሰደድ ኣይግበርን\" ይብል ኣይተ ሞገስ። ኣይተ ሞገስ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ሰራሕተኛታት ቅድሚ ናብ ስራሕ ምኻዶም ምግቢ ከዳልውን ካልኦት ስርሓት ክፍፅሙን ልዑል ጸዓት የድሊ። ኰይኑ ግን ድሕሪ ክልተ ሰዓት፡ መጠን ተጠቃምነት እናነከየ ከም ዝመፅእን ድሕሪ ሰዓት 2፡00 [ግእዝ] ድማ መሊሱ እናወሰኸ ከም ዝኸድን የረድእ። ንሱ ከም ዝብሎ፡ ምሸት ድሕሪ ሰዓት 12፡00 ይውስኽ እሞ ድሕሪ ሰዓት 4፡00 ድማ ምንካይ የርኢ። ዝለዓለ ጠለብ ካብ ዝረኣየሉ ሰዓት (ፒክ ኣወር) ወፃኢ ዘሎ ኣጠቓቕማ ትሑት ኰይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ሰዓታት ምሸት ኣብ ጂቡቲን ሱዳንን ከቢድ ሃሩር ስለ ዝህሉ፡ ተጠቃምነት መዝሓዚ ኣየር [ኤየር ኮንዲሽነር] ግድን ይኸውን። ስለ ዝዀነ ኣጠቓቕማ ኤሌትሪክ ኢትዮጵያ ትሕት ኣብ ዝብለሉ እዋን ምሸት፡ ናይተን ሃገራት ጠለብ ልዕል ስለ ዝብል፡ ኢትዮጵያ ነዚ መስርሕ መሰረት ብምግባር፡ ናብተን ጐረባብቲ ሃገራት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተቕርብ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61595446"} {"headline":"ሱዳን፡ ድሕሪ ዕልዋ መንግስቲ ጸኒዑ ዝጸንሐ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣልዒላ","content":"ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ፡ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ኣዋጅ ህጹጹ እዋን ኣልዒልዎ ኣሎ። ገዛኢ ቤት ምኽሪ ጸጥታን ምክልኻልን እታ ሃገር፡ እዚ ውሳነ ኣብቲ ብወተሃደራዊ መራሒ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝተመርሐ ኣኼባ ከምዝተወሃበ ኣፍሊጡ። ብተወሳኺ፡ እቲ ስጕምቲ ንዘተ ምቹእ ሃዋህው ንምፍጣር ዝዓለመ ምዃኑ፡ እቲ ቤት ምኽሪ ገሊጹ። ኣብ ሱዳን፡ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝገዝአ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፡ ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣን ምስ ተኣለየ፡ ኣብ 2019 ኣብ መንጐ ወተሃደራውን ሲቪላውን መራሕቲ ናይ ስልጣን ምምርቓሕ ስምምዕ ከም ዝተገብረ ይፍለጥ። እንተዀነ፡ ብ27 ጥቅምቲ 2021፡ ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ተለቪዥን እታ ሃገር ቀሪቡ፡ ኣብ መንጐ ሲቪላውያን መራሕቲ ብዝተፈጥረ ውሽጣዊ ቁርቁስ ነቲ ወተሃደራውያን መራሕቲ ዕልዋ ከካይዱ ከምዝተገደዱ ተዛሪቡ ነይሩ። በዚ መሰረት ሰራዊት ሱዳን፡ ንመሰጋገሪ መንግስቲ'ታ ሃገር ኣፍሪሱ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ንዝርከቦም ሲቪላውያን መራሕቲ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ብምእታውን ነቲ ቤት ምኽሪ ብምፍራስን ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ከም ዝኣወጀ ይፍለጥ። እቲ ኣብ ጥቅምቲ ብዝተኻየደ ዕልዋ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ሕዩር ገዛ ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ዓብደላ ሓምዶክ፡ ካብ ማሕዩር ተፈቲሑ ብ 20 ሕዳር 2021 ናብ ስልጣኑ'ኳ እንተተመልሰ፡ ብሰንኪ ዝቐጸለ ህዝባዊ ጸቕጢ ኣብ ፈለማ ጥሪ ናይዚ ዓመት'ዚ፡ ስልጣኑ ከም ዝለቐቐ ይዝከር። ድሕሪ'ቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ግን፡ ኣንጻር ወተሃደራዊ መንግስቲ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ቀጺሉ'ሎ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ብሰንኪ'ቲ ምስ ፖሊስ ዘጋጠመ ግጭታት ኣስታት 100 ሰባት ሞይቶም። ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ንመራሕቲ ምንቅስቓስ ተቓውሞ ዒላማ ብምግባር፡ ብዙሓት ሰልፈኛታት ኣብ ቀይዲ ኣእትዮም ኣለዉ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61631721"} {"headline":"ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ጀነራል ኣል ቡርሃን ተዘራሪቡ","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ምስ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ኣብ ኬንያ ተራኺቦም ተዘራሪቦም። እቶም መራሕቲ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝካየድ ፍሉይ ጉባኤ መራሕቲ ኢጋድ ንምስታፍ ኣብ ዝኸዱሉ እዮም ተራኺቦም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ \"ምስ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ኣብ ዝገበርክዎ ዘተ፡ ክልቲአን ሃገራት ብሰላማዊ መንገዲ ዝሰርሓሎም ብዙሓት ጉዳያትከም ዘለው ኣብ ስምምዕ በጺሕና ኢና፡” ኢሉ። ብተወሳኺ፡ “ካብቶም ንክልቲአን ሃገራት ዝፈላልዩ ጉዳያት እቶም ዘተኣሳስሩ ይበዝሑ” ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ክልቲአን ሃገራት ፍልልያተን ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ቃል ምእታወን ሓቢሩ። ብሕቶ ይግበኣኒ ኣብ ምስሕሓብ ዝረከባ ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ብዝተኣሳሰር'ውን ርክበን ሓርፊፉ ጸኒሑ እዩ። ቅድሚ ሓደ ሰሙን ወተሃደራተይ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ተቐቲሎምኒ ዝበለት ሱዳን፡ ኣብ ኣዋሰንቲ ከባቢታት ኢትዮጵያ ደብዳብ ከቢድ ብረት ምክያዳ ይዝከር። ቅድሚ ሓደ ዓመት ሰራዊት ሱዳን ኣልፋሽጋ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብኢትዮጵያውያን ሓረስቶት ክለምዕ ዝጸንሐ ከባቢ ምቍጽጻሩ ስዒቡ፡ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ወጥሪ ነጊሱ። ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተጋደደ ወጥሪ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚደንት ልኡላዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃንን ሎሚ ኣብ ናይሮቢ ከም ዝተራኸቡ ተገሊጹ ኣሎ። ሎሚ ኣብ ኬንያ ዝጀመረ መበል 39 ፍሉይ ጉባኤ በየነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ)፡ ኣብ “ሓባራዊ ጉዳያት” ኣባል ሃገራት ከምዝዝቲ ገሊጹ። እዚ ጉባኤ ኣብ መንጐ ሱዳንን ኢትዮጵያን ጎንጺ ከይለዓል ኣብ ዝተሰግኣሉ ቅንያት ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ፡ ዋና ጸሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ\/ር) ቅድሚ መዓልታት ናብ ሱዳን ኣምሪሑ ምስ ጀነራል ኣልቡርሃን ብምዝርራብ ክልቲአን ሃገራት ዘለወን ናይ ወሰን ምስሕሓብ፡ ዲፕሎማስያዊ መፍትሒ ከናድያሉ ጸዊዑ እዩ። እቲ ጉባኤ “ኣዝዩ ኣገዳስን ኵሎም መራሕቲ ኣባል ሃገራት ዝሳተፉሉን” ከምዝኾነ እቲ ዋና ጸሓፊ ኣቐዲሙ ገሊጹ ነይሩ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cg39e212pyxo"} {"headline":"መማህርቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝነበረ፡ ምስጉን መምህር ሚኪኤል ጋብር መን እዩ?","content":"ብኣበርክቶኡን ሞያኡን ኣብ ዝተፈላለየ ዓለም ብዝርከቡ ተማሃሩኡ ዝዝከር ዘሎ ሚኪኤል፡ ንልዕሊ 30 ዓመት ስልጣን ሃገር ተረኪቡ ብምልኪ ዝገዝእ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅ ኣብ ዓመተ ትምህርቲ 1961-1962 ኣብ ቤት ትምህርቲ ልኡል መኮነን፡ ኣብ ሓንቲ ሰደቓ ኮፍ እናበሉ ታሽዓይ ክፍሊ ተማሂሮም። ድሕሪኡ እውን ክሳብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብሓደ ቀጺሎም። ከም ደቂ ቤት ትምህርትን መንእሰያትን ኣብ ስሳታት ሓቢሮም ኣንጻር መግዛእታዊ ጎበጣ፣ ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ተቓውሞኦም ኣስሚዖም። ኣብ መወዳእትኡ ግን ብፖለቲካዊ ኣረኣእያኦም ተፈላልዮም በብመገዶም ተጓዒዞም። ንምዃኑ እዚ ኣብ ሓደ እዋን መማህርትን መዘናን እቶም ኣብ ብረታዊ ተጋድሎ ብዝለዓለ ሓላፍነት ድሕሪ ነጻነት ከኣ ብደረጃ ምኒስተርነት ዝሰርሑ ብዙሓት ሃገራውያን ተቓለስቲ ዝነበረ መምህር ምኪኤል ጋብር መን እዩ? ቢቢሲ ትግርኛ ንመተዓብይቱን ብጾቱን፡ ከምኡ እውን ንገለ ካብ ዕውታት ተምሃሩኡ ብምዝርራብ ንድሕረ ባይትኡ፡ ንልደቱን ዕቤቱን፡ ንሞይኡን ኣበርክቶኡን ዳህሲሱዎ ኣሎ። ምኪኤል ጋብር ኣብ ፈለማ ኣርብዓታት ኣብ ገማግም ፈለግ ዓንሳባ ካብ ከተማ ከረን ሸሞንተ ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ሙሻ እተባህለት ዓዲ ካብ ድኻታት ሓረስቶት ተወሊዱ። ከም ኩሎም መዘናታቱ ብሕርሻ ንዝነባበሩ ስድርኡ ኣብ ጕስነትን ካልእ ንጥፈታት ሕርሻን እናተሓጋገዘ ተመሪቑ ዓበየ። ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ኣብ ከረን ምስ ዝነብር ዝነበረ ጥሉቕ ሓምድ ዝተባህለ ሓወብኡ ንክመሃር ንከረን መጽአ። ኣብ ከረን ካብ መባእታ ክሳብ ማእከላይ ደረጃ ምስ ተማህረ ኣብ ኣስመራ ዝነብር ዝነበረ ካልእ ሓው ኣብኡ ካብ ታሽዓይ ክፍሊ ንላዕሊ ንዘሎ ትምህርቱ ንኺቕጽል ንኣስመራ ኣምጸኦ። ኣብ ዓመተ ትምህርቲ 1961-62 ከኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ልኡል መኮነን ታሽዓይ ክፍሊ ንክመሃር ምስ መዝንኡን ዓርኩን ወልደየሱስ ዓማር ንኣስመራ ገዓዘ። ምኪኤልን ወልደየሱስን ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ክሳብ ሚኪኤል ብ1992 ብሞት ዝፍለ አዕሩኽን ናይ ቃልሲ ብጾትን ነይሮም። ክልቲኦምን ምስ መዘናታቶም መንእሰያት ስሳታት ካብ 1961 - 1965 ኣብ ኣስመራ፡ ቀጺሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ንህዝቢ ብዘነቓቕሕ ጽሑፋትን ንጎበጣ ኢትዮጵያ ብዝብድህ ሰላማዊ ሰልፍታትን ናይ ተቓውሞ ውዳበታትን ንሃገራዊ ቃልሲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ምብርባር ልዑል ኣስተዋጽኦ ገይሮም። ኣብቲ እዋን እቲ ከኣ እዩ እዚ ዳሕራይ መምህር ዝኾነ ምኪኤልን ካብ ነጻነት ክሳብ ሕጂ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ዘሎ ኢሳይያስን ኣብ ሓንቲ ሰደቓ ኮፍ እናበሉ ታሽዓይ ክፍሊ ሓቢሮም ዝተማህሩ። እንተኾነ ምኪኤል ምስ ኢሳይያስ ብተደጋጋሚ ኣብ ሓሳባት ይሰሓሓብ ከም ዝነበረ ኣብቲ እዋን መራሕ ዋህዮ ናይ ክልቲኦም ዝነበረ ወልደየሱስ ዓማር ተዘክሮኡ የካፍል። ኣብቲ እዋን ዳሕራይ ኣብ ታሪኽ ሰውራን ቃልስን ልዑል ስም ዝነበሮም ከም ኣቦ መንበር ሰውራዊ ባይቶ ነበር ነፍስሄር ስዩም ዑቕባሚካኤል፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ብዘይ ንቡር መስርሕ ቤት ፍርዲ ብዓመጽ ምስ ዝተኣስረ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ነበር ሃይለ ወንደንሰኤ (ድሩዕ)፡ ኣብ 1973 ኣብ ሜዳ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት (ዳሕራይ ህዝባዊ ግንባር) ንመሪሕነት ብምንቃፎም ምስ ብጾቱ ዝተቐንጸለ ተጋዳላይ ሙሴ ተስፋሚካኤል፡ ነፍሲ ሄር ወልደ ዳዊት ተመስገን ፡ ሕጂ ሚኒስተር ሕርሻ ዘሎ ኣረፈይን በርሀ፡ ኣብ ሓደ እዋን ምኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ዮሴፍ ገብረስላሰ (እንጦጦ)ን ካልኦት ብዙሓት መዛንኡን ብሓባር እዮም ተማሂሮም። \"ሚኪኤል ኩሉ ግዜ መምህር እዩ። ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ቃልሳን ክነግር ፈጺሙ ኣይደክምን ነይሩ። ሓደ ግዜ እኳ ናይ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ነበር ነጋሶ ጊዳዳ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣብ ዝነበረሉ እዋን 'ኣብ 60ታት ኣብ ኤርትራ ውግእ ከምዝነበረ ኣይንፈልጥን ኢና ነይርና ኣብ 1966-7 ካብ መማህርተይ ምኪኤል ጋብር እየ ሰሚዐን ፈሊጠን' ክብል ጽሒፉ\" ይብል ወልደየሱስ። ምኪኤል ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ትምህርቱ ምስ ዛዘመ ንኤርትራ ተመሊሱ ኣብ ኣቑርደት መምህር ኮነ። ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ መንጎ ውድባት ኤርትራን ስርዓት ደርግን ሓያል ወተሃደራዊ ግጥማት ይካየድ ብምንባሩ፡ \"እምቢ ያለ ሰው ጥይት ኣጕርሶው\" ብዝብል ጭርሖ ዝምራሕ ዝነበረ ስርዓት ደርግ ብ09 ግንቦት 1975 ኣብ ኣቑርደት ኣስታት 200 ሰላማውያን ሰባት ብጃምላ ቀተለ። ብድሕርዚ ምኪኤል ምስ ህዝቢ ኣቑርደት ኮይኑ ነቶም ግዳያት ድሕሪ ምቕባር ደቁን በዓልቲ ቤቱን ሒዙ ናብ ትውልዲ ዓዱ ናብ ሙሻ ከደ። ንሕብረተሰብ ናይ ምምሃር ክቱር ባህጊ ስለዝነበሮ ከኣ ምስ ተሓኤ ብምትሕብባር ንቖልዑን ዓበይትን ናይተን ኣብ ጎደቦታት ዓዱ ዝርከባ ህዝቢ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ምምሃር ቀጸለ። እንተኾነ ሽዑ ኣብ መንጎ ተሓኤን ህዝባዊ ግንባርን ሓድሕዳዊ ምትንዃይ ስለዝነበረን ተጻብኦን ስለዝበዝሖን ኣብ 1976 ስድርኡ ሒዙ ንሱዳን ኣተወ። ኣብቲ እዋን እቲ ከኣ ላዕለዎት መራሕቲ ተሓኤ ነቶም ካብ ሃገሮም ዝስደዱ ዝነበሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ትምህርቶም ዝቕጽልሉ ዕድላት ንኽህሉ ንላዕላዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት አእሚኖም ኣብ ከሰላ ቤት ትምህርቲ ከም እትኽፈት ገበሩ። ሚኪኤል ጋብርን ሓያሎ ህርኩታት መማህራንን ብጾቱን ከኣ ነታ ኣሻሓት ዕውታት ተማሃሮ ዘፍረየት ቤት ትምህርቲ ኣቚሞዋ። ምኪኤል ከኣ ከም መምህርን ርእሰ መምህርን ኮይኑ ካብ 1976 ክሳብ ብ25 ግንቦት 1992 ፡ ብሞት ዝፍለ ነታ ቤት ትምህርቲ ኣመሓደራ። ኣብታ ቤት ትምህርቲ ንሒደት ዓመታት ክመሃር ዕድል ዝረኸበ ሕጂ ኣብ ሃገረ ኣውስትራልያ ዝርከብ ናይ ዶክተረይት መዓርግ ዝለበሰ ዶክተር ሳላሕ ንምኪኤል ጋብር \" ንአእምሮ ኣሽሓት ቀንዴል ዝወለዐ ብርሃን እዩ\" ክብል ይገልጾ። \"ኣጋጣሚ ኮይኑ ምኪኤል ጋብር ኣይመሃረንን። ልዕለይ ዝፈልጡዎን ብዛዕብኡ አዕሚቖም ክዛረቡ ዝኽእሉ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሑ ኣማኢት ዕውታት ተማሃሮኡ ኣለው። ብዛዕብኡ ክነግር ስለዝተሓተትኩ ግን ኣብ ልቢ ኣሻሓት ዝበርህ ዘሎ ቀንዴል እዩ\" ብምባል ክገልጾ እደሊ ብምባል ርእይትኡ የካፍል። ኣብተን ኣብ ከሰላ ዝተማህረን ዓመታት ከኣ ዩኤንኤችሲኣር ንተማሃሮን መማህራንን ብዝህቦ ዝነበረ ናይ ገንዘብ ደገፍ ትምህርቱ ክከታተል ከምዝኸኣለ ይሕብር። ዳሕራይ ግን ዩኤንኤችሲኣር ብ 1997 ነቲ ንመምህራንን ተመሃሮ ዝህቦ ዝነበረ መተባብዒ ገንዘብ ደው ስለዘበሎ እታ ቤት ትምህርቲ ብሓገዝ ሚስዮናውያን ካቶሊክ ብመጠኑ እናተሓገዘት ንጥፈታታ ትቕጽል ከምዘላ ወልደየሱስ ይሕብር። ብምኽንያት እዚ ኣብ ምድላው ዝርከብ ናይ ዝኽሪ ሲምፖዝዩም ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዝርከቡ መሳርሕቱን ተማሃሮኡን ምስ ዝተፋላለያ ማዕከናት ዜናን መርበባት ሓበሬታን ኣብ ዝገብሩዎ ዘለው ናይ ዝኽሪ ቃለ መሕትት፡ ምኪኤል ብጻዕሩን ህርኩትንኡን ዝፍለጥ ዘይስልኪ፡ ርእይቶ መሳርሕቱን ተማሃሮን ጽን ኢሉ ዝሰምዕ ፍቱው መምህር ምንባሩ ይጠቕሱ። ኣብታ ቤት ትምህርቲ ከም መሓመድ ዑመር፡ ገብረመድህን ዓሰባ፡ ማሕሙድ ኢብራሂም፡ ገብርሂወት ጋይምን ካልኦትን ምኩራት ግዱሳት ሃገራውያን ሞያውያን ክኢላታት ከምዝነበሩ ከኣ ይዝክሩ። መሓመድ ብርሃን ብላታ ብወገኑ እቶም መማህራን ናይታ ቤት ትምህርቲ ኣብ ልዕሊ'ቲ ንተማሃሮ ዘስንቑዎ ፍልጠት ኣብ ማሕበራዊ ህይወቶም ከይተረፈ ብጽኑዕ ድስፕሊን ክዓብዩን ኣብ ህይወቶም ዕውታት ንክኾኑን ልዑል ኣስተዋጽኦ ከም ዝገበሩ ይምስክር። \"እቶም መማህራን፡ ተማሃሮኦም ኣብ ኩሉ ዓውድታት ጸብለል ክብሉሎም ስዘዝደልዩ ካብቲ ንቡር ናይ ስራሕ ሰዓታት ወጻኢ ብገዛእ ፈቓዶም ይሕግዙዎም ስለዝነበሩ ብዙሓት ካብኣቶም ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ በጺሖም\" ይብል። ወልደየሱስ ዓማር ብወገኑ ምኪኤል ጋብር ዝተራእዮን ዝተሰመዖን ዓው ኢሉ ዝዛረብ፡ ዋላ እውን ኣብ ትሕቲ ጸገማት ሓሳቡ ብናጻ ዝዛረብ ተባዕ ምንባሩ ብምግላጽ ብሞት ምፍላዩ ዓቢ ክሳራ ከምዝኾነ ይገልጽ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብታሪኽ ቀዳማይ ዲግሪ ዝጨበጠ ምኪኤል ጋብር ንመምሃሪ እትኸውን \"ሓጺር ታሪኽ ናይ ኤርትራ\" እትብል ንእሽቶ መጽሓፍ ኣዳልዩ ይምህረላ ከም ዝነበረን ክሳብ ሕጂ እውን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣብ ዝርከብ ኣብያተ ትምህርቲ ይምህሩላ ከምዘለውን ወልደየሱስ ይሕብር። ምስ ትምህርትን ምንቕቓሕን ብዝተኣሰሰር ውድባዊ ተልእኾ ብቐረባ ዝፈልጦ ኣብ 1964 ናብ ተሓኤ ዝተጸንበረ መሓመድ ብርሃን ብላታ \"ሚኪኤል ንቖልዑን መንእሰያትን ፍልጠት ከስንቕን መጻኢኦም ከቕንዕን ከይደቀሰ ዝሓድር ጻዕራም ሃገራዊ መምህር እዩ ነይሩ\" ክብል ይገልጾ። ምኪኤል ጋብር ብሓደጋ ቅድሚ ምማቱ ኣብ ጽድያ 1989፡ ኣብ ከሳላ ኣብ ጥቓ ቤቱ \"መንነቶም ዘይተፈልጡ\" ሰረቕቲ እዮም ኢሉ ዝጠርጠሮም ሰባት ብሓጺን ቀጥቂጦም ንብረቱ ዘሚቶም ሞይቱ ኢሎም ገዲፎምዎ ከምዝኸዱ ወልደየሱስ ይዝክር። ሽዑ ምኪኤል ነቲ ዘጋጠሞ ፍጻሜ ተራ ናይ ስርቅን ቅጥፈትን ተረኽቦ እምበር ብፖለቲካዊ ውዲት ከምዘይጠርጠሮ ወልደየሱስ ይገልጽ። እንተኾነ ዳሕራይ ኣብ ፈለማ 1990ታት፡ ንኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ባይቶ (ልጅና ኣልሰውሪያ) ንዓብዱልቃድር ጀላኒ ክቐትሉ ዝፈተኑ ኣብ ከሰላ ዝተታሕዙ ጥርጡራት፡ ፖሊስ ሱዳን ምስ መርመሩዎም ኣባላት ጸጥታ ህዝባዊ ግንባር ከምዝኾኑን ንምኪኤል ጋብር ዝሃረሙ እውን ንሳቶም ምንባሮም ከምዝተዛረቡ ይዝረብ። ይኹን እምበር ህዝባዊ ግንባር ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ከምዘይተሳተፈ እዩ ዝሕብር። ወልደየሱስ ዓማር፡ ሕጂ ድሕሪ 30 ዓመት እውን እንተኾነ ብሕልፈት ናይ ቀረባ ዓርኩን መማህርቱን ኣዝዩ'ዩ ዝሓዝን። \"ምኪኤል ጋብር ብ25 ግንቦት 1992 ብብሽክለታ እናተጓዕዘ ሱዳናዊ ብዝመርሓ ኣውቶቡስ ብሓደጋ እኳ እንተሞተ፡ ሽዑን ቅድሚኡን፡ ከም በዓል ስዒድ ሳልሕ፡ ወልደ ዳዊት ተመስገን፡ ኢድሪስ ሃንጋላ ፡ ሃይለ ጋርዛ፡ ማሕሙድ ሓሰብን ዝኣመሰሉ ተጋደልቲ ተሓኤ ዝነበሩ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብቓጻ ተቐቲሎም'ዮም። \"ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ሞት ሚኪኤል ጋብር እውን ኣባላት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ዝነበሩ ወልደማርያም ባህልቢን ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን (ወዲ ባሻይ)ን ተጨውዮም ናብ ኤርትራ ስለ ዝተወስዱ፡ እታ ንምኪኤል ገጭያ ዝቐተለት ኣውቶቡስ ናይ ብሓቂ ብሓደጋ ድያ ወይስ ብውዲት እያ ዝብል ነገር ጥርጣረ ሓዲጉ እዩ\" ክብል ገና ሕርኽርኽ ዝብል ነገር ከምዘሎ የረድእ። ፈለጥትን መቕርብን ምኪኤል፡ ህይወቱን መነባብሮኡን ንከመሓይሽ ናብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ክወጽእ ቀጻሊ ጠለብን ምኽርን የቕርቡሉ ነይሮም። ንሱ ግን፡ \"ንደቀይ ካብ ከባቢ ሃገሮም ከርሕቖም ኣይደልን እየ\" ብምባል ሓደ መዓልቲ ምስ ደቁን ስድርኡን ናብ ኤርትራ ክምለስን ኣብታ ተወሊዱ ዝዓበየላ ሃገር ክነብርን እናሓለመ'ዩ ኣብ ጽባሕ ጽምብል ነጻነት ኤርትራ 25 ግንቦት 1992 ኣብ ከሳላ ዓሪፉ። ድሕሪ ሞቱ ከኣ እቶም ንዓዲ ናብ ሃገሮም ሒዙዎም ክኣቱ ዝሕልን ዝነበረ በዓልቲ ቤቱ ግምጃን ክልተ ደቁን ናብ ኣውስትራልያ ኣርሒቖም ተሰዲዶም። ብሊና ጃህራይ ሚድያ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለም ዝነብሩ ዕውታት ተመሃሩኡን መሳርሕቱ ነበር መምህራንን ተቓለስትን ብምዕዳም ን21 ግንቦት 2022 ንዝኽሩን ኣበርክቶኡን ንምዝካር ዓቢ ሲምፖዝዩም ኣዳልዩ ምህላው ኣዳለውቲ እቲ መደብ ይሕብሩ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61213338"} {"headline":"ወተሃደራት ሱዳን ብሓይልታት ኢትዮጵያ ተቐቲሎም","content":"ሓይልታት ኢትዮጵያ ሸውዓተ ሱዳናውያን ወተሃደራትን ሓደ ሲቪልን ከም ዝቐተሉ ሱዳን ከሲሳ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ግዳያት ዝሓለፈ ረቡዕ 22 ሰነ ካብ መሬት ሱዳን ተጨውዮም ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምውሳዶም ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ። \"ሬሳኦም ንህዝቢ ክርአ\" ከም ዝተገብረ'ውን ሱዳን ከሲሳ'ላ። ነቲ \"ዘይሰብኣዊ\" ክትብል ዝገለጸቶ ቕትለት ብምኹናን፡ ግብረመልሲ ከም እትህበሉ ኸኣ ኣጠንቂቓ። እቲ ፍጻመ ኣብ መሬታ ከም ዘጋጠመ ዝገለጸት ኢትዮጵያ ብወገና፡ ብቕትለት ናይቶም ሱዳናውያን ከም ዝሓዘነትን ከተጻርዮ ምዃና ኣፍሊጣ'ላ። \"መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ መንጐ ሰራዊት ሱዳንን ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሚሊሻ [ኢትዮጵያን] ዘጋጠመ ረጽሚ ዝጠፍአ ሂወት ዝተሰምዖ ሓዘን ይገልጽ\" ክብል፡ ነቲ ኵነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ ገሊጹ። እንተኾነ፡ እቲ ፍጻመ ብህወሓት ዝተደገፈ ሰራዊት ሱዳን ናብ መሬት ኢትዮጵያ ድሕሪ ምእታዉ ከም ዝሰዓበ ኢትዮጵያ ትምጉት። ህወሓት ብዛዕባ'ቲ ክሲ ዛጊት ዝሃቦ መግለጺ የለን። ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣዕቊባ ከምዘላ ዝተጠቐሰት ሱዳን፡ ዘለዋ ተቓውሞ ንምግላጽ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኣምባሳደራ ናብ ካርቱም ክትስሕቦ ምዃናን፣ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ብምጽዋዕ ብዛዕባ'ቲ ኵነታት መብርሂ ክህብ ክትሓቶ ምዃናን እቲ ሚኒስትሪ ገሊጹ'ሎ። \"መንግስቲ ሱዳን፡ ብመሰረት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ዝህቦ ውሕስነት፡ መሬቱን ሰብኣዊ ክብሩን ንምክልኻል ምሉእ መሰል ከምዘለዎ የፍልጥ\" ይብል እቲ መግለጺ ወሲኹ። ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ግጭት ዶብ ከም ዘሎን ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ኣብ ከባቢ ኣልፋሽጋ ሓሓሊፉ ግጭት ክርአ ከም ዝጸንሐን ይፍለጥ። ሱዳን፡ ኢትዮጵያ ትሃንጾ ብዘላ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ እውን ከም ዝተቘጥዐት ዝፍለጥ እዩ። ንጉዳይ ናይቲ ግድብ ዝከታተል ላዕለዋይ ኮሚቲ ሱዳን፡ ሎሚ ብሚኒስተር ማይን መስኖን እታ ሃገር ንዝቐረበሉ ጸብጻብ ከምዝሰምዐ ኣገልግሎት ዜና ሱና ኣብ ፌስቡክ ሓቢሩ'ሎ። ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ትሰሓሓበሉ ዘላ ከባቢ፡ ልሙዕ ኰይኑ፡ ኩርናዕ ኣልፋሽጋ ብዝብል ይፍለጥ። ኣብቲ ዶብ ብኽልቲኡ ሸነኻት ዝርከቡ ሓረስቶት፡ ነቲ ልሙዕ መሬት ይምነዩ። ኩርናዕ ኣልፋሸጋ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ሱዳን፡ ምብራቓዊ ገዳርፍ ዝርከብ መሬት እዩ። ኣልፋሸጋ 250 ትርብዒት ኪሎሜትር ዝሽፍንን ልዕሊ 240 ሄክታር ልሙዕ መሬት ዝሽፍን እዩ። ሰበ ስልጣን ሱዳን፡ ኣልፋሸጋ ናይ ሱዳን ግዝኣት ምዃኑ ይዛረቡ። ሕጂ ስለምንታይ ብኢትዮጵያውያን ተታሒዙ ንዝብል ክምልሱ እንከለው፡ \"ሱዳን ምስታ ሃገር ብዝነበራ ናይ ምትሕብባርን ምርድዳእን ስምምዓት፡ ኢትዮጵያውያን ሓረስቶት ነቲ ስፍራ ከልምዕዎ ጸኒሖም\" ይብሉ። ክልቲኦም መንግስታት ኣቐዲሞም፡ ነዚ ኣሰሓሓቢ ዶብ፡ ዳግማይ ንምሕንጻጽ ናይ ሓባር ፕሮጀክትታት ንምጅማርን፡ ንህዝቢ እቲ ከባቢ ተረባሒ ንምግባርን ተሰማሚዖም ምንባሮም ይዝከር። ኣብ 2014 ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝን ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ናይ ክልቲአን ሃገራት ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፡ እቲ ዶብ ኣብ ባይታ ዝምልከተሉ ዕለት ክውስኑ ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም ነይሮም። እንተኾነ ኣብ ባይታ ዶብ ናይ ምምልካት ስራሕ ክሳዕ ሎሚ ኣይተፈጸመን።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c0x1qev7n2wo"} {"headline":"ተጋሩ ስደተኛታት መዓስከር ኡምራቑባ ድሕሪ ዘጋጠሞም ሓደጋ ባርዕ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣለዉ?","content":"ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኡምራቑባ ሱዳን ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ብዙሓት ስድራታት ተጋሩ መጽለሊኦምን ንብረቶምን ከምዝሰኣኑ ንቢቢሲ ገሊጾም። መንቀሊ እቲ ባርዕ? ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት ዝነብሩን ነቲ ክስተት ብዓይኖም ዝረኣዩን መሰኻኽር ዓይኒ፡ እቲ ባርዕ ኣብቲ ብቴንዳ ዝተሰርሐ መጽለሊ ዝተረስዐ ሓዊ ከም ዘንቀሎም ሓቢሮም። እንተኾነ ምሉእ ሓበሬታ ንምሓዝ ብዝብል ምጽራይ ይካየድ ከምዘሎ ወሲኾም ሓቢሮምና። \"ብሎክ ክልተ ብዝብል ዝፍለጥ መጽለሊ ስደተኛታት ካብ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 10፡00 [04፡00] ብሃንደበት ክነድድ ጀሚሩ። እቲ ብዕሽሽነት ሓንቲ ኣደ ከምዝተበገሰ ዝግለጽ ባርዕ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ ብዙሕ ገዛውቲ ኣቃጺሉ\" ትብል ኣልማዝ ገብረእግዚኣብሄር ዝተባሃለት ስደተኛ ነባሪት እቲ መዓስከር። ካብ ከተማ ሑመራ ተሰዲዱ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኡምራቑባ ዝርከብ መምህር ተሻለ ደበበ ብወገኑ \"ኣብ ልዕሊ ህይወትናን ኣካልናን ጉድኣት እንተዘየብጽሐ'ኳ ዝርካቡ ንብረትና ግን በቲ ባርዕ ተበሊዑ እዩ\" ክብል ነቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ገሊጹልና። ኣልማዝ፡ ኣብቶም ብባርዕ ዝዓነዉ ብቴንዳ ዝተሰርሑ ግዝያዊ መጽለሊ ኣረጋውያን፣ ህጻናትን ነብሰጾራትን ከምዝነበሩ እንተኾነ ብጻዕሪ ስደተኛታት ከምዝደሓኑ ትዛረብ። \"ዝነበረና ኩሉ ብሓዊ ተበሊዑ። እቲ ሓዊ ካብ ገዛ ናብ ገዛ እናሰገረ ብቕልጡፍ ይላባዕ ነይሩ። ዋላ ካብተን ኣብ መወዳእታ ዝነደዳ ገዛውቲ ዋላ ሓደ ንብረት ምድሓን ኣይተኽኣለን። ብረድኤት ዝተወሃባና መግብን ኣቑሑትን ሓቂ በሊዕወን\" ክትብል ሓቢራ። ኣብ መዓስከር ኡምራቑባ ንዘለዉ ስደተኛታት ኣብ እተተሓባበር ኮሚቴ ኣባል ብምዃን ዝነጥፍ ኣይተ ካሕሳይ ገብረሚካኤል እቲ ባርዕ ብዕለት 01 ታሕሳስ 2014 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ከምዘጋጠመ ብምዝኽኻር ንስደተኛታት ዝሃሰየ ክስተት ምንባሩ ገሊጹ። \"67 ገዛውቲ ዓንዮም ኣለዉ። በዚ ከኣ ኣብ ውሽጢ እተን መጽለሊ ዝነብሩ 175 ሰባት መጽለሊኦም ስኢኖም። ብዘይክኦም ድማ ብግዝያውነት ምስኦም ተጸጊዖም ዝሓድሩ ስደተኛታት ነይሮም'ዮም\" ኢሉ። እቲ ሓደጋ ኣብ ቀትሪ ስለዘጋጠመ ኣብ ልዕሊ ንብረት ጥራሕ እምበር ኣብ ልዕሊ ሰብ ጉድኣት ከምዘይወረደ እቲ ኣተሓባባሪ፡ እቶም ብቴንዳ ዝተሰርሑ መጽለሊን ኣብ ውሽጦም ዝነበረ ንብረትን ግን ምሉእ ብምሉእ ከምዝነደዱ ገሊጹ። ኩነታት ስደተኛታት ድሕሪ ባርዕ ኣብቶም ዝነደዱ መጽለሊ ዝጸንሑ ስደተኛታት ናብ ካልእ ብጊዚያውነት ዝህነጽ ዝነበረ ዳሳት ክሰጋገሩ፤ ገሊኦም ድማ ምስ ካልኦት ተደሪቦም ከምዝጸንሑ ተገይሩ'ሎ። \"ኣብኡ ዘሎ ስደተኛ ነቶም መጽለሊኦም ዝነደዶም ሰባት ንጊዚኡ መጽንሒ ዝኸውን መግብን ማይን ብምቕራብ ተሓባበርዎም'ዩ። ከም ዩኤንኤችሲኣር [ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት]፣ ፕላን ኢንተርናሽናል [ኣብ ጉዳይ ህጻናት ዝሰርሕ ትካል]፣ ዲኣርሲ [ትካል ስደተኛታት ዳኒሽ] ዝተፈላለዩ ቅልጡፍ ሓገዛት ኣቕሪቦም'ዮም\" ይብል ኣይተ ካሕሳይ። \"ንመብሰሊ መግቢ ዝኸውን ድስቲ፣ መንጸፍን ኮበርታን ሽዑ ተዋሂቡ'ሎ። ግን ድማ እዋኑ ዛሕሊ ዝበዝሖን ጣንጡ ዝረኣያሉን ብምዃኑ እኹል ኣይኮነን። ገሊኦም ህጻናት ብፕላን ኢንተርናሽናል ክዳን ተዓዲልዎም ኣሎ\" ዝበለት ድማ ሓንቲ ካብ ስደተኛታት ዝኾነት ኣልማዝ'ያ። ንኹሉ እኹል ሓገዝን መተካእታን ከምዘይቀረበሉ እትዛረብ ኣልማዝ ናብቲ ብጊዚያውነት ዝተሃነጸ ዳሳት ከምዝኣተው ትገልጽ። መምህር ተሻለ'ውን እቲ ቅድሚ ሓደጋ ንስደተኛታት ተዓዲሉ ዝነበረ ከም መብሰሊ መግቢ ዝበለ ኣቑሑት ዳግም ብዩኤንኤችሲኣር ከምዝተዓደለ ብምሕባር፡ ብፍሉይ ድማ ንነብሰጾራትን ኣረጋውያንን ዝተገበረ ጊዝያዊ ሓገዛት ከምዘሎ ጠቒሱ። ኣልማዝን መምህር ተሻለን፡ እቶም መጽለሊኦም ብባርዕ ዝዓነዎም ስደተኛታት ብጊዚያውነት ክጽንሑሉ ኣብ ዝተገበረ መጽለሊ ንስደተኛታት ዝምቹእ ብዘይምዃኑ ቅልጡፍ መፍትሒ ክወሃብ ንዝምልከቶም ትካላት ረድኤት ሕቶ ከምዝቐረበ ንቢቢሲ ሓቢሮም። መተሓባበሪ ስደተኛታት ኣይተ ካሕሳይ ብወገኑ ነዚ ጉዳይን ካልኦት ዝለዓሉ ቅሬታትን ብዝምልከት ምስ ትካላት ረድኤት ኣብ ምዝርራብ ከምዝርከቡን ተስፋ ዝህብ ምርድዳእ ከምዝሎን ይሕብር። \"ምስጋና ንተጋሩ ዳያስፖራ\" ካብ ጽባሕ እቲ ዘጋጠመ ባርዕ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝርከቡ ተጋሩ ዳያስፖራ ብውልቆም ኮነ ብውዳበታቶም ኣቢሎም ነቶም ስደተኛታት ዝኸውን ሓገዛት ኣብ ምልኣኽ ይርከቡ። \"መግብን ካልእ ነገራትን ይበጽሑና ኣለው። ብሳላ እቶም ኣብ ደገ ዝርከቡ ተጋሩ ኣብዚ ዘለና ማሕበረሰብ ንንቀሳቐስ ኣሎና\" ትብል ኣልማዝ። መምህር ተሻለ ድማ \"ይበል ዘብል ምንቅስቓስ ዳያስፖራ ኢና ንርኢ ዘለና። ከም ማሕበር ቅዱስ ያሬድ ዝበሉ ኣብ ደገ ዝርከቡ ውዳበታት ዳያስፖራ ካብታ ሓደጋ ዘጋጠመትላ መዓልቲ ጀሚሮም ንነብሲ ወከፍ ሰብ ሕሩጭ፣ ዘይቲ፣ ሽኮርን ካልኦት ነገራትን ሓገዝ ተገይሩልና\" ክብል ኣረዲኡ። ካልኦት ናይ ተጋሩ ማሕበራትን ውልቀሰባትን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኮይኖም ዘተኣኻኸብዎ ሓገዛት ናብቶም ብሓደጋ ባርዕ ዝተጸለዉ ስደተኛታት ኡምራቑባ ይበጽሕ ከምዘሎ ብምግላጽ እዚ ዝግበረሎም ደገፋት ድማ ተስፋ ከምዝኾኖም ሓቢሮም። \"[ስደተኛ] እቲ ዘጋጠሞ ነገር ንኽርስዕ፣ ንኽዕንገልን ናብ ዝነበሮ ኩነታት ንኽምለስን ዓብዪ ናይ ሞራልን ገንዘብን ደገፍ ይገብሩልና ኣለዉ። ኣብዛ ቁርጺ እዋን ኣብ ሓጺር እዋን ከምዚ ዝበለ ሓገዝ ምልኣኾም ኣዝዩ ዘኹርዕ'ዩ\" ይብል መምህር ተሻለ። ኣባል ኣተሓባበሪት ኮሚቴ ስደተኛታት መዓስከር ኡምራቑባ ኣይተ ካሕሳይ ብወገኑ ኣብዚ እዋን ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ብተጋሩ ዳያስፖራ ዝለኣኹ ሓገዛት ይበጽሕዎም ከምዘለዉ ብምሕባር ካብ ክዳን ክሳብ መግቢ ንስደተኛታት ከምዝተዓደለ ገሊጹ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59741783"} {"headline":"ሕብረት ኣውሮጳን ኣመሪካን ንወተሃደራዊ መሪሕነት ሱዳን ኣጠንቂቐን","content":"ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኖርወይ፡ ብሪጣንያን ሕብረት ኣውሮጳን፡ ወተሃደራዊ መሪሕነት ሱዳን ካብ ውሽጦም ቀዳማይ ሚኒስተር ከይሮቍሑ ኣጠንቂቐን። እተን ሃገራት፡ እቲ ወተሃደራዊ መሪሕነት ባዕሉ ቀዳማይ ሚኒስተር እንተመዚዙ እታ ሃገር ናብ ዝኸፈአ ግጭት ከተምርሕ ከምእትኽል እየን ዘጠንቅቓ ዘለዋ። እተን ሃገራት ብዘይ ተሳትፎ ሰፊሕ ህዝቢ ዝምረጽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮነ ዝትከል መንግስቲ ከምዘይድግፋ'ውን ኣፍሊጠን ኣለዋ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ነበር ዓብደላ ሓምዶክ ብሰንበት ብገዛእ ፍቃዱ ካብ መዝነቱ ከምዝተኣለየ ዝዝከር ኮይኑ፡ ንሱ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ብዕልዋ መንግስቲ ተኣልዩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ምስቲ ነቲ ዕልዋ ዝመረሐ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ድሕሪ ዝተገበረ ዘተ ናብ ስልጣኑ ተመሊሱ ነይሩ እዩ። እንተኾነ እቲ ህዝባዊ ተቃውሞ ስለዝቐጸለን፡ ምስ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝጀመርዎ ክርክር ናብ ሓደ መዕለቢ ስለዘይበጽሐን ካብ ስልጣኑ ከምዝወረደ'ዩ ገሊጹ። ኣብቲ ኣብ ሱዳን ዝኻየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቃውሞ፡ ድሕሪ ዕልዋ መንግስቲ ምክያዱ ጥራይ ልዕሊ 50 ካብ ሰልፈኛታት ተቐቲሎም ኣለዉ። ብሰንኪ እዚ ሃገራት ምዕራብ ነቲ ብወተሃደራዊ ምሕደራ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዝውሰድ ዘሎ ጎነጻዊ ስጉምቲ ብዓውታ ይቋወመኦ ኣለዋ። ትማሊ ሰሉስ ኣብ ሓያለ ከተማታት ሱዳን፡ ኣንጻር እቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ ንዝካየድ ዝነበረ ህዝባዊ ተቃውሞ ንምብትታን ኣካላት ጸጥታ ናይቲ ወተሃደረዊ ምምሕዳር ዘንብዕ ጋዝ ናብ ሰልፈኛታት ከምዝቶኮሱ ተገሊጹ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59877130"} {"headline":"ወጥሪ ሱዳንን ኢትዮጵያን፡ ሱዳን ወተሃደራታ ናብ ዶባት ኢትዮጵያ ተጸግዕ ምህላዋ ተገሊጹ","content":"ሱዳን ሰራዊታ ናብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሰሓሕብ ዘሎ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ተጸግዕ ምህላዋ ተገሊጹ። ሱዳን ነቲ ብኢትዮጵያ ተታሑዙ ነይሩ ዝበለቶ ኣብ ልሙዕ ናይ ሕርሻ መሬት ኣልፋሽጋ ዝርከብ መሬታ ምሉእ ንምሉእ ተቖጻጺራቶ ምህላዋ እያ ትገልጽ። ሰራዊት ሱዳን፡ ንሱዳናውያን ነበርቲ እቲ ኸባቢ ምሉእ ውሕስነት ከምዝህቦም ብምግላጽ \"ቀሲንኩም ደቅሱ\" ዝብል መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈሎም'ውን ተገሊጹ። ሱዳን 1 ታሕሳስ ከምዝሓበረቶ፡ ሳራዊታ ነቲ ኣብቲ ኣሰሓሓቢ ቦታ ናይ ኣልፋሺጋ ዳገማይ ክሰፍር ፈቲኑ ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ፤ ደሕሪ ምልውዋጥ ቶኵሲ ናይ ከቢድ ብረት ምሉእ ንምሉእ ጸራሪጋ ከምዘውጸአቶ ምግላጻ ይዝከር። ኣብቲ 27 ሕዳር ኣብ ቢርካት ናውራን ዝተብሃለ ክፋል ናይ ኣልፋሽጋ ኣብ ዝተኻየደ ምልውዋጥ ናይ ቶኵሲ 21 ካብ ሰራዊት ሱዳን ከምዝሞቱን 30 ከምዝቖሰሉን መንግስቲ ሱዳን ምግላጹ ይዝከር። እዚ ሓዲሽ ናይ ምትፍናን ኩነት ስዒቡ ወተሃደራዊ ሓላፊ ሱዳን ሊተናል ጀነራል ዓብደል ፈታሓ ኣል ቡርሃን ሃገሩ \"ዋላ ሓንቲ ኢንች' ካብ መሬታ ናብ ኢትዮጵያ ኣሕሊፋ ከምዘይትህብ ገሊጹ። እንተኾነ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ጄነራል ብርሃኑ ጁላ ድሕሪ መግለጺ ናይ ሱዳን ነቲ ካብ ሱዳን ዝቐረበ ክሲ ብምንጻግ፡ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ሱዳን መጥቃዕቲ ከምዘይፈጸመት ሓቢሩ። እቲ ጄነራል ንኢትዮጵያ ሳተላይት ቴሌቪዥን (ኢሳት) ከምዝበሎ፡ \"ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሱዳን መጥቃዕቲ ኣይፈነወትን፣ መጥቃዕቲ እትፍንወሉ ምኽንያት'ውን የለን\" ብምባል ካብ ሱዳን ንዝቐረበ ክሲ ነጺግዎ። ሰራዊት ሱዳን ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ \"ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሚሊሻን ኣብ ኣል ፋሽጋ ኣል ሹግራ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሓይልታቱ መጥቃዕቲ ከም ዝኸፈቱን ሞት ከም ዝስዓበን\" ብምግላጽ . . . \"እንተኾነ ሰራዊት ሱዳን ብዝሃቦ ዓጸፌታዊ ምላሽ ኣብ ልዕሊ እቶም መጥቃዕቲ ዝኸፈቱ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ኪሳራ በጺሑ'ዩ\" ኢሉ ነይሩ። ሓላፊ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን፡ ሚኒስትር ለገሰ ቱሉ (ዶ\/ር) ብወገኑ፡ ንሃገራዊ ቴሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብዶብ ሱዳን ኣቢሉ ክኣቱ ኣብ ልዕሊ ዝፈተነ ጉጅለ ዕጡቓት ስጉምቲ ከምዝተወስደ ብምሕባር ብመንግስቲ ሱዳን ንዝቐረበ ክሲ ምንጻጉ ይዝከር። ክልቲአን ሃገራት ብምኽንያት እቲ ኣብ ከባቢ ዶብ ዘሎ ልሙዕ መሬት ኣል ፋሽጋ ካብ ወርሒ ሚያዚያ 2020 ጀሚሩ ናብ ግጭት ዝኣተዋ ኮይነን ክሳብ ሕጂ 90 ወተሃደራት ሱዳን ከም ዝሞቱ ይግለጽ። ኣል-ፋሽጋ ኣብ ከባቢ ዶብ ሱዳን ዝርከብ ዓቢ ናይ ሕርሻ ቦታ ኮይኑ፡ ንብዙሓት ዓመታት ግን ዕጡቓት ኢትዮጵያ ሒዞምዎ ከምዝጸንሑ እዩ ዝፍለጥ። ኢትዮጵያን ሱዳንን 750 ኪሎ ሜትር ሓባራዊ ዶብ ኣለወን። እንተኾነ ግን እዚ ዶብ ዝበዝሕ ክፋሉ፡ ንጹር ብዝኾነ መገዲ ኣብ ባይታ ኣይተከለለን። ኢትዮጵያን ሱዳንን ከባቢ 750 ኪ.ሜ ዝበጽሕ ናይ ሓባር ዶብ ክህልወን እንከሎ፤ እቲ ዝበዝሐ ክፋሉ ብንጹር ኣብ ባይታ ኣይተመልከተን። ነዚ ንምፍጻም ተደጋጋሚ ዝርርባት ተጀሚሮም ብተደጋጋሚ ተቋሪጾም እዮም። ንሱዳንን ኢትዮጵያን ዘዋጥጥ ዘሎ ጉዳይ እንታይእዩ? ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ትሰሓሓበሉ ዘላ ከባቢ፡ ልሙዕ ኮይኑ፡ ኩርናዕ ኣልፋሽጋ ብዝብል ይፍለጥ። ኣብቲ ዶብ ብኽልቲኡ ሸነኻት ዝርከቡ ሓረስቶት፡ ነቲ ዘሎ ልሙዕ መሬት ይምነዩ። ኩርናዕ ኣልፋሽጋ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ሱዳን፡ ምብራቓዊ ገዳርፍ ዝርከብ መሬት እዩ። ኣልፋሽጋ 250 ትርብዒት ኪሎሜተር ኮይኑ ልዕሊ 240 ሄክታር ንሕርሻ ዝኸውን ልሙዕ መሬት ኣለዎ። ክልቲኦም መንግስታት ቅድሚ ሕጂ፡ ነዚ ኣሰሓሓቢ ዶብ፡ ዳግማይ ንምሕንጻጽ፡ ናይ ሓባር ፕሮጀክትታት ንምጅማርን ንህዝቢ እቲ ከባቢ ተረባሒ ንምግባር ስምምዓት ተጌሮም ነይሮም። ኣብ 2014 ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝን ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክልቲአን ሃገራት፡ እቲ ዶብ ኣብ ባይታ ዝምልከተሉ ዕለት ክሕብሩ ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም ነይሮም። እንተኾነ ነቲ ዶብ ናይ ምምልካት ስራሕ ክሳዕ ሎሚ ኣይተፈጸመን።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59663169"} {"headline":"መገሻ ሱዳናዊ ጀነራል ሓምዳን 'ሄመቲ' ዳጋሎ ናብ ኢትዮጵያ እንታይ ትርጉም ይህብ?","content":"ምኽትል ፕረዚደንትን ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ስግግር ሱዳን ሌፍተናንት ጀነራል ሞሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ [ሓመቲ] ኣብ ቀዳምን ሰንበትን ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምግያሽ ቀዳማይ ሚንስትር ምስ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበስልጣን እታ ሃገር ተራኺቡ። ጀነራል ዳጋሎ ኣብታ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ቅልውላው ዘላ ሱዳን ካብ ጀነራል ዓብዱል ፈታሕ ኣልቡርሃን ቀጺሉ ቁልፊ ሰብ ኮይኑ፡ ብዘሰለፎ ወተሃደራዊ ሓይሊ’ውን ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ወሳኒ ግደ ኣለዎ። ሓሚቲ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ሞሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ፡ ኣብቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሮ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ፡ ብመንጽር እቲ ሓደ ዓመት ዘቑጸረ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝሓርፈፈ ፖለቲካዊ ርክብ ክረኣይ ከሎ ሃንደበታዊን ዘይልሙድን’ዩ ነይሩ። ኣብ ኢድ ኢትዮጵያውያን ሓረስቶት ዝነበረን ክልትኤን ሃገራት ብይግባኣኒ ክዘራረባሉ ዝጸንሓን ኣብ ከባቢ ዶባተን ዝርከብ መሬት፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ሱዳን ምእታዉ ስዒቡ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ሓርፊፉ ምጽንሑ ይፍለጥ። ኣልበሺር ካብ ስልጣን ምስተኣለየ ነቲ ኣብ ሞንጎ ወተሃደራዊ ክንፊን ሲቪል ፖለቲከኛታትን ዝተፈጠረ ዘይምስናይን ወጥሪን ንምህዳእ ኢትዮጵያ ዓብዪ እጃም ከምዝነበራ ይዝረብ። በዚ ምኽንያት ከኣ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ካብን ናብን ካርቱም-ኣዲስ ኣበባ እናተመላለሱ፡ ኣብ ክልቲኣዊ ጉዳያት ብተደጋጋሚ ይዘራረቡ ነይሮም። ብድሕሪ እቲ ብጉዳይ ዶብ ዘጋጠመ ዘይምስናይ ግን ርክበን ካብ ምዝሕሓሉ ሰጊሩ ንሓድሕደን ክካሰሳ ጸኒሔን’የን። እዚ ሎሚ ብጀነራል ሞሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝተኻየደ ምብጻሕ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት፡ ብላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሱዳን ዝተገበረ ፈላማይ ዑደት እዩ። ጻንሒት ምስ ቀንዲ ሰበስልጣን ዳጋሎ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስኣተወ ንዝተቐበልዎ ሰበስልጣን ብምርኣይ፡ እቲ ምብጻሕ ብወገን ኢትዮጵያ ኣቕሊልካ ዝተረኣየ ከምዘይነበረ ምግንዛብ ይከኣል። ሚንስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብርሃም በላይን ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ብሄራዊ መረዳእታን ድሕነተን ኣይተ ተመስገን ጥሩነህን ነቲ ጀነራል ከምዝተቐበልዎ ይፍለጥ። ብድሕሪኡ ከኣ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድን ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ዝኾነ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ከምዝተራኸቡ ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሔን ኣለዋ። እዚ ከኣ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ወተሃደራውን ጉዳያት ድሕነትን ዘድሃበ ዝርርብ ከምዘካየዳ የመልክት። ወኪል ዜና ሱዳን፡ ጀነራል ዳጋሎ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣብ ክልቲኣዊ ርክብ ከምኡ’ውን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብዝያዳ ኣብ ዘጠናኽሩ ጉዳያት ከምዝዘተዩ ሓቢሩ። ሚንስተር ሰራዊት ምክልኻል ዶክተር ኣብርሃም በላይ ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ምስ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ኣብ ዝነበሮም ጻንሒት ኣብ ክልትኣዊ ጉዳያት ከምዝተዘራረቡ ብምሕባር “ተቐራሪብና ክንሰርሕ ከምዝግባእ ኣብ ምርድዳእ በጺሕናለና” ኢሉ። ምዝሕሓል ወጥሪ ኣብ ሞንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ንዘሎ ዘይምርድዳእ ሓደ ምኽንያት ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ ህንጸት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ’ዩ። እቲ ግድብ ኣብ ዝህነጸሉ ዘሎን ምስ ሱዳን ብዶብ ዝራኸብን ክልል ቤኒሻንጉል ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ተደራቢ ጭንቀት ኢትዮጵያ ኮይኑ ይርከብ። ካብ ሱዳን ዶብ ጥሒሶም ናብቲ ክልል ከምዝኣትዉ ዝዝረበሎም ዕጡቓት መጥቃዕቲ እናፈጸሙ ምኽንያት ሞትን ምፍንቓልን ብዙሓት ነበርቲ ካብ ምዃኖም ብተወሳኺ፡ ዝበዝሕ ክፋል እቲ ክልል ኣብ ትሕቲ ሓይሊ ዕማም (‘ኮማንድ ፖስት’) ክጸንሕ ምኽንያት ኮይኖም ኣለዉ። ቅድሚ ሰሙናት ካብ ሱዳን ግዝኣት ብሉናይል ዝመጽኡ ልኡኻት ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ብዝምልከት ምስ ሰበስልጣን ክልል ቤኒሻንጉል ከምዝተዘራረቡሉን ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሑን ይግለጽ። ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ንዝተፈጠረ ምትፍናን ስዒቡ ንአዋርሕ ተዓጽዩ ዝነበረ ዋና መንገዲ ጋላባት-መተማ’ውን ኣብ ቀረባ ከምዝተኸፈተ ይዝከር። ኣብቲ ሕቶ ይግባኣኒ ዝለዓለሉ መሬት ኣልፋሽቃ ብዝምልከት ግን ዛጊድ ዝተረኣየ ለውጢ የለን። ሱዳን ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ ሰራዊታ ብምልኣኽ ነቲ ኣካታዓይ ዝነበረ መሬት ምስተቖጻጸረቶ ወጥሪ ከምዝፈጠረ ይዝከር። ሰራዊት ሱዳን ብኢትዮጵያውያን ንዝውነኑ ሰፋሕቲ ናይ ሰሊጥ ሕርሻን ዓበይቲ መኽዘናትን ብምቁጽጻር ነቶም ሓረስቶት ክወጽኡ ከምዝገበርዎም ዝግለጽ ኮይኑ፡ ሰበስልጣን እታ ሃገር ሰራዊቶም ንሕጋዊ መሬቶም ከምዘምለሰን ድሕሪ ሕዚ ዝቕየር ነገር ከምዘይህልውን ኣፍሊጦም ነይሮም። ብወገን ክልቲኤን ሃገራት ናብ ኲናት ናይ ምእታው ድልየት ከምዘይብለን’የን ዝገልጻ። ኢትዮጵያ እቲ ጉዳይ ብኮሚሽን ዶብ ኣቢሉ ክፍታሕ ክትሓትት ምጽንሓ ይግለጽ። ሱዳን ብወገን ኢትዮጵያ ዘለዉ ሚሊሻታት ክልተ ጊዜ መጥቃዕቲ ብምፍናው ኣብ ልዕሊ ሱዳናውያን ነበርቲ ጉድኣት ከምዘብጽሑ ትኸስስ። ዕጡቓት ሓይልታት ኢትዮጵያ ከምዝፈጸምዎ ብዝገለጸቶ መጥቃዕቲ ወተሃደራት ከምዝተቐተልዋ’ውን ሓቢራ’ላ። ንኽልቲኤን ሃገራት ናብ ዘዳብው ከባቢ ዝኣትዉ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ከምዝፍጽሙ ዝገልጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ናይ ጸጥታ ሓይልታቱ ስጉምቱ ከምዝወስዱ ሓቢሩ ነይሩ። ምምሕያሽ ርክባት ጀነራል ሞሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ፣ ሚንስተር ምክልኻል ኣብርሃም በላይ፣ ምስ ኢታማዦር ሹምን ሓላፊ ሕነትን ተራኺቦም ብዛዕባ ዝገበርዎ ዝርርባት ዝተወሃበ ዝርዝራዊ መግለጺ የለን። እንተኾነ ኣብ እዋናዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሱዳን ካብ ምዝርራቦም ብተወሳኺ፡ ንኽልቲኤን ሃገራት ናብ ምስሕሓብ ኣብ ዘእትዉ ጉዳያት እውን ከምዝተዘራረቡ ይግመት። እቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣቐዑጺሩ ዘሎ ኲናት ትግራይ ብድሕሪ ምዝዛሙ፡ ካብ ቀጻሊ ቆላሕታ ሰራዊትን ድሕነትን ኢትዮጵያ እቲ ሓደ ምስ ሱዳን ዘሎ ምስሕሓብ ዶብ ምዃኑ ኣይተርፍን። ኣብዚ እዋን ሰራዊት ትግራይ ናብ ድሕሪት ምንስሓቡ ስዒቡ ናብ ሰላማዊ ድርድር ንምምጻእ ዝግበሩ ጻዕሪታት ተጠናኺሮም ይቕጽሉ ምህላዎም ይዝረብ። ነታ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ውሽጣዊ ቅልውላው ዘላ ሱዳን ዝመርሕ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ብህዝባዊ ተቓውሞታት ተወጢሩ ኣብ ዝርከበሉ እዚ እዋን ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብ ብዘተ መዕለቢ ክግበረሉ ጻዕሪ ኣብ ምክያድ ዘሎ ይመስል። ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ቅልውላው ኣብ ምፍታሕ ሓገዝ ክትገብር ዝጠልብ ድልየት ብወገን ሰበስልጣን ሱዳን ክህልው ይኽእል ዝብል ግምት'ውን ኣሎ። ነቲ ኣብ ሱዳን ዝጓሃሃር ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ከምኡ’ውን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ስዒቡ፤ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉይ ልኡኽ ከምዝመዘዘት ይፍለጥ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ኮይኑ ከገልግል ንዝጸንሐ ጄፍሪ ፌልትማን ተኪኡ ስርሑ ዝጀመረ ኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድ፡ ኣብ ፈላማይ መገሽኡ ናብ ካርቱምን ኣዲስ ኣበባን በጺሑ ነይሩ። ንሱ ምስ ኣብ ቤት ዕዮ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሓጋዚት ጉዳያት ኣፍሪቃ ንዝኾነት ሞሊ ፊ ኣኸቲሉ ኣብ ዝገበሮ ዑደት፡ ናብ ሱዳን ከይዱ ምስ ወተሃደራውን ሲቪላውን መራሕቲ እታ ሃገር ከምዝተዛተየ ይዝረብ። ኣብታ ሃገር ምርግጋእ ክህልውን መስርሕ ስግግር መንግስትን ብዝምልከት ድማ ተዛራሪቦም። ብዛዕባ መገሻ እቶም ልኡኻት ዝርዝር መብርሂ’ኳ እንተዘይተወሃበ፡ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን እውን ከምዝዘተዩ ግን ይዝረብ። ቀጥታዊ ርክብ ይሃለዎ ኣይሃልዎ እንተዘይተፈለጠ’ውን፡ ሌፍተናንት ጀነራል ሞሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምብጻሕ ኣካይዱ ዘሎ ግን ብድሕሪ እቲ ሰበስልጣን ኣሜሪካ ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝገብርዎ ዑደት’ዩ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60108634"} {"headline":"ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ይግፈፉ ኣለዉ","content":"ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ነበርትን ስደተኛታትን ብኣካላት ፀጥታ ሱዳን ብጅምላ ተገፊፎም ይእሰሩ ከምዘለዉ ተገሊፁ። እዚ ግፋ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ይፍፀም ከምዘሎን ብዙሓት ንርእሶም ንምድሓን ኣብ ገዝኦም ተዓፅዮም ከምዝርከቡ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ሓቢሮም። ኣይተ ሃብቶም ኣብ ሱዳን እዩ ተወሊዱ ዓብዩ፤ ብሰንኪ እቲ ጃምላዊ ሓፈሳ ብዙሓት ካብ ዕለታዊ ስራሕቶም ክቦኽሩ ከምዝተገደዱን ኣብ ፀገም ከምዝወደቑን ይገልፅ። “ዕለታዊ ምንቅስቓስ የብልናን፤ ገዛ ንገዛ ይኣትዉ ኣለዉ፤ ኣብ ሱዳን ዘለና ኩለና፡ ዋላ ኣብዚ ተወሊድና ዝዓበና ኮነ ካብ ዓዲ ዝመፅአ ሰብ፡ ንግፋዕ ኢና ዘለና” ብምባል \"ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኢና ዘለና” ኢሉ። እዚ ፅዑቕ ግፋ ሓደ ወርሒ ከምዘቑፀረ ዝገልፅ ኣይተ ሃብቶም፡ ተሓፊሶም ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝተወሰዱ ድማ 400 ዳላር ክኸፍሉ ይገደዱ ከምዘለዉ ሓቢሩ። ነዚ ገንዘብ ንኣካላት ፀጥታ ዝኸፈለ ሰብ ጥራሕ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝወፅእ ዝዛረብ ኣይተ ሃብቶም፡ “እንድሕር ዘይብልካ ግና ንሽድሽተ ወርሒ ትእሰር እሞ ናብ ዓድኻ ይጥርዙኻ” ይብል። ኣብታ ንሱ ዝነብረላ ከተማ ካርቱም ብፍሉይ ኡንድርማን፣ ዴም፣ ሰሓፍን ጅሬፍን ካብ ዝበሃሉ ከባብታት ልእሊ 100 ሰባት ተገፊፎም ሁዳ ኣብ ዝበሃል ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ከምዘለዉ ገሊፁ። “ትማሊ እኳስ ኣደ ቆልዑ ዝርከብኦም ክልተ መኻይን መሊኦም ወሲዶም” ብምባል ንደቂኣንስትዮን ህፃናትን እውን ግዳይ ከምዝገበረ ኣረዲኡ። ካልእ ነባሪ ሱዳን ኣይተ ሚኪኤለ ብወኑ: እዚ ግፋ ንኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ዘነፃፀረ ከምዝኾነን፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ዝተሰደቱ ተጋሩ’ውን ግዳያት ከምዝኾኑ ይዛረብ። “እዚ ግፋ ኣብ ኩሉ እዩ፡ ምስቲ ካብ ትግራይ ዝተመዛበለን ኣብዚ ንነብርን ብዙሓት ስለዝኾንና፡ ንሕና ኢና ብሰንኪ እዚ ግፋ ኣብ ፀገም ወዲቕና ዘለና። ኤርትራውያን’ውን ግዳይ እዚ ግፋ እዮም” ኢሉ። ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ክሳብ ሕዚ ዝገበረሎም ደገፍ ከምዘየለ ድማ ኣይተ ሚኪኤለ ይገልፅ። እዚ ፀገም ንዘይበፅሖም ሰባት ተቓላዕቲ ንከይኾኑ፡ ኣብ ካርቱም ንርከብ ተጋሩ ብማሕበር ተወዲብና ንሰርሕ ኣለና ዝብል ኣይተ ሚኪኤለ፡ “ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እዚ ዘሎ ኩነታት ኣፀቢቑ ይፈልጥ እዩ፡ ክሳብ ሕዚ ግና ዝገበሮ ምንቅስቓስ የለን” ይብል። ኣብዚ ጉዳይ ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን። ብወተሃደራውን ሲቪላውን ጥምረት ክትመሓደር ዝፀንሐት ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካልእ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ምትእንጋዳ ዝዝከር እዩ። ነቲ ወተሃደራዊ ክንፊ ዝመርሕ ዝነበረ ጀነራል ዕብድል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ንቀዳማይ ሚኒስትር ዓብደላ ሓምዶክ ካብ ስልጣን ኣልዒሉ ሕዚ ስልጣን ንበይኑ ብሒትዎ ይርከብ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60837839"} {"headline":"ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ኣል ቡርሃን 15 ዝኣባላቱ ካቢነ ረቚሑ","content":"ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል ቡርሃን ሓድሽ መንግስቲ ንምምስራት 15 ሚኒስተራት መዚዙ። ንሱ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ወተሃደራዊ ዕልዋ ብምክያድ ነቲ ሓፈሻዊ ምርጫ ከካይድ ዝግብኦ ዝነበረ መሰጋገሪ መንግስቲ ምብታኑ ዝዝከር እዩ። እቲ ዕልዋ ካብ ዝተፈጸመሉ እዋን ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ብተደጋጋሚ ዓበይቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ክካየድ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ ልዕሊ 70 ሰልፈኛታት ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተቐትሉ ይግለጽ። ምርቋሕ ሓድሽ መንግስቲ ነቶም ምሉእ ብምሉእ ሲቪላዊ ምሕደራ ክህሉ ዝጠልቡ ሰልፈኛታት ካብ ምቅዋም ደው ዘብል ከምዘይኮነ ነቲ ኩነታት ብቕርበት ዝከታተልዎ ተንተንቲ ይዛረቡ። ኣቐድም ኣቢሎም፡ ብዙሓት ሰብ ሞያ ሕጊ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዝውሰድ ዘሎ ጎነጻዊ ዓፈና ዝምልከት ገበናዊ መርመራ ክካየድ ጸዊዖም ኣለው። እቶም ወተሃደራውያን መራሕቲ ኣብ ልዕሊ ዘይዓጠቑ ሰልፈኛታት ከቢድ ግህሰት ከምዝፈጸሙ እቶም ሰብ ሞያ ሕጊ ይኸስሱ። ኣሜሪካ ብወገና ሱዳን ጎነጻዊ ስጉምትታት ምውሳድ ክሳዕ እተቋርጽን ሲቪላዊ መንግስቲ ናብ ቦትኡ ክሳዕ ዝምለስን ቁጠባዊ ሓገዝ ከምዘይትህብ ኣፍሊጣ እያ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ቀደማይ ሚኒስተር ሱዳን ነበር ዓብደላ ሓምዶክ ምስ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል ቡርሃን ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ ናብ መዝነቱ ተመሊሱ እኳ እንተነበረ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብወለንትኡ ስልጣኑ ከምዝሓደገ ይዝከር። ብወተሃደራዊ ዕልዋ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ ድሕሪ ሽዱሽተ ሰሙናት ናብ መዝነቱ ተመሊሱ ዝነበረ ሓምዶክ ካብ ስልጣን ንምውራድ ብምውሳኑ መንግስቲ ሱዳን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ክኸውን ገይሩ’ሎ። እቲ ሰራዊት ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ ዕልዋ መንግስቲ ብምፍጻም ንሲቪላውያን መራሕቲ ድሕሪ ምብታኑ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን እኳ እንተኣወጀ ነቲ ህዝባዊ ተቓውሞታት ክገትኦ ኣይከኣለን። ቀንዲ ጠለባት እቲ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ እቲ ሰራዊት ስልጣን ንሲቪላዊ ምምሕዳር ከረክብን ካብ መሪሕነት ክእለን ዝብል ምዃኑ ኣወሃሃድቲ እቲ ሰልፍታት ይገልጹ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60082319"} {"headline":"ክልተ ላዕለዎት ሰብመዚ ኣሜሪካ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ናብ ኣዲስ ኣበባ፣ ካርቱምን ሪያድን ክበፅሑ’ዮም","content":"ላዕለዎት ሰብመዚ ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ንኣርባዕተ መዓልታት ናብ ከተማ ኣዲስኣበባ፣ ካርቱምን ሪያድን ብምብፃሕ ከምዝዝትዩ ተገሊፁ። እቶም ሰብመዚ፡ ኣብ ቤት-ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ተሓጋጋዚት ሓላፊት ሞሊ ፊን ንኣምባሳደር ጄፍሪ ፌልትማን ተኪኡ ኣብ ቀረባ ግዘ ዝተሾመ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዴቪፍ ሳተርፊልድን እዮም። ቤት-ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ፡ እቲ ካብ ፅባሕ ሰኑይ ዝጅምር ጉዕዞ ዲፕሎማሰኛታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ሱዳንን ትኹረት ከምዝገብር ኣፍሊጡ። እቶም ሰብመዚ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘምርሕሉ፡ ፕረዝደንት ባይደን ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብቲ ዝሓለፈ 10 ጥሪ ዘካየድዎ “ሃናፂ ናይ ስልኪ ዝርርብ ዝስዕቡ ጉዳያት ከልዕሉ’ዮም” ክብል ቤት-ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሓቢሩ። ብመሰረት እዚ፡ እቶም ሰብመዚ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፍፀሙ ናይ ኣየር መጥቃዕትታን ካልኦት ጎንፅታትን ደው ክብሉ፣ ኣብ ድርድር ዝተደረኸ ተኹሲ ደው ምባል ክግበር፣ ኩሎም እሱራት ፖለቲካ ክፍትሑ፣ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክጠዓዓምን ንሃገራዊ ልዝብ ዘድልዩ ጉዳያት ክዳለዉን ኣብዚ እዋን ንዝተኸፈተ ዕድል ሰላም ክጥቀምሉ፡ ንሰብመዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከበረታትዑ’ዮም ተባሂሉ። ኣብ ቤት-ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ተሓጋጋዚት ሓላፊት ሞሊ ፊን ፍሉይ ልኡኽ ሳተርፊልድን፡ ናብ ከተማ ኣዲስኣበባ ቅድሚ ምኻዶም፡ ኣብ ስዑድ ዓረብን ሱዳንን ምብፃሕ ከካይዱ’ዮም። በዚ ድማ፡ ኣብ ቅልውላው ትርከብ ሱዳን ብሲቪል ዝምራሕ ዲሞክራስያዊ ስግግር ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ኣብቲ ብሕቡራት ሃገራት ኣቢሉ ዝካየድ ኣኼባ ክሳተፉ’ዮም። ድሕሪ እዚ፡ ክልቲኦም ሰብመዚ ናብ ሱዳን ብምምራሕ፡ ምስ ነጠፍቲ ደገፍቲ ዲሞክራሲ፣ ምስ ጉጅለታት መናእሰይን ደቂኣንስትዮን፣ ሲቪል ማሕበራት፣ ምስ መራሕቲ ሰራዊትን ፖለቲከኛታትን ከምዝዝትዩ ተገሊፁ። ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣዲስኣበባ ብምምራሕ ምስ ሰብመዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዝትዩ ትፅቢት ይግበር። ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዝደንት ጆ ባይደንን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኢትዮጵያ ብስልኪ ከምዝተዘራረቡ ይፍለጥ። ዋይት ሃውስ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝወሰዶ ምፍታሕ ፍሉጣት እሱራት ፖለቲካ ብምንኣድ፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ኵናት ንሲቪላውያን ግዳይ ይገብር ምህላዉ ከምዘሻቐሎ ገሊፁ። \"ክልቲኦም መራሕቲ ብልዝብ ዝተበፅሐ ምቁራፅ ተፃብኦታት ዝግበረሉ መንገዲ ንምቅልጣፍ፡ ሰብኣዊ ዝበፅሓሉ ኩነታት ምምሕያሽን ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ኩሎም ዝተፀልዉ ኢትዮጵያውያን ዘሎ ስክፍታታት ንምፍታሕን ተመያዪጦም\" ክብል መግለፂ ዋይት ሃውስ ጠቒሱ። \"ፕረዝደንት ባይደን ብዛዕባ ዝቕፅል ዘሎ ተፃብኦታት፡ እንኮላይ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ መጥቃዕትታት ኣየር ሲቪላውያን ግዳያት ይገብር ብምህላዉ ዘለዎ ሻቕሎት ገሊፁ\" ክብል'ውን ገሊፁ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን ይቕፅል ዘሎን ኵናት ስዒቡ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ብዝወሰደቶም ስጉምትታት፡ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ሓርፊፉ’ዩ ፀኒሑ። መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰብመዚ ኢትዮጵያን ተሳተፍቲ እቲ ኵናትን ብዘንበሮ እገዳ ቪዛን ንኢትዮጵያ ካብ ኣጎዋ ምእጋዱን ይፍለጥ። ኣሜሪካ፡ እቲ ሂወት ኣሽሓት ዝቐጠፈ፣ ሚልየናት ዘመዛበለን፣ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተፈፀምሉን ሚልየናት ንጥምየት ኣቃሊዑን ዘሎ ኵናት ከብቅዕ ብተደጋጋሚ ክትፅውዕ እኳ እንተፀንሐት፡ ዛጊድ ፍረ ኣየፍረየን። እዞም ካብ ሰኑይ ጀሚሮም ናብ ስዑድ ዓረብ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘምርሑ ላዕለዎት ሰብመዚ ኣሜሪካ፡ ንነዊሕ ዓመታት ሞያ ዲፕሎማሲ ዘኻዕበቱ ከምዝኾኑ ይግለፅ። ቅድሚ ሕዚ ንሰለስተ ዓመታት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝነበረትን ኣብ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ላዕለወይቲ ሓላፊት ኮይና ዘገልገለትን ሜሪ ካትሪን ሞሊ ፊ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም እያ ተሓጋጋዚት ሓላፊት ጉዳያት ኣፍሪቃ ኮይና ተሾይማ። ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ቱርኪ ዝነበረ፡ ሓድሽ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ተሾይሙ ዘሎ ዴቪድ ሳተርፊልድ ድማ፡ ኣብ ዲፕሎማሲ ማእኸላይ ምብራቕ ናይ ኣርብዓ ዓመታት ውህሉል ልምዲ ዘለዎ’ዩ። ኣምባሳደር ሳተርፊልድ፡ ኣብ ቱርኪ፣ ሶርያ፣ ቱኒዝያ፣ ስዑድዓረብን ሊባኖስን ንሃገሩ ወኪሉ ዲፕሎማት ኮይኑ ዝሰርሐ እንትኾን፡ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ቱርኪ ኮይኑ ቅድሚ ምስርሑ ድማ ኣብ ዘበን ስልጣን ዶናልድ ትራምፕ ሓላፊ ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ንዝነበረ ማይክ ፖምፔዮ ኣማኻሪ ኮይኑ ምስርሑ ይዝከር።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60013966"} {"headline":"ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ብወተሃደራዊ ክንፊ ዝተሾሙ ኣመሓደርቲ ኣውሪዱ","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተኻየደ ዕልዋ ስዒቡ ብወታሃደራዊ መራሒ እታ ሃገር ብግዝያዊነት ዝተሸሙ ኣመሓደርቲ ግዝኣታት ካብ ሓላፍነቶም ኣውሪዱ፡፡ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል-ቡርሃን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነቲ ዕልዋ ድሕሪ ምክያዱ፡ ንኩሎም ትካላት መሰጋገሪ መንግስቲ ብምፍራስ ንብዙሓት ሰበስልጣን ካብ መዝነቶም ከም ዘውረዶም ይዝከር። ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ፡ ምስቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝመርሐ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ብዝገበሮ ስምምዕ እዩ ድሕሪ ዕልዋ ናብ መዝነቱ ተመሊሱ ዘሎ፡፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ቀረባ እውን ንኻልኦት በቲ ወታሃደራዊ ምምሕዳር ዝተሸሙን ገሊኦም ድማ ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣል-በሽር ርክብ ዝነበሮምን ሓያሎ ሚኒስተራት ሰጒጉ እዩ፡፡ ብዘይካ'ዚ፡ ሓምዶክ ካብ ዝሓለፈ 25 ጥቅምቲ 2021 ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ንዝተፈፀመ ግህሰት ምርመራ ክካየድ ምዃኑ ከም ዝተዛረበ'ውን መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሓቢሩ ነይሩ። ብፖለቲካዊ ተሳትፎ ወታሃደራዊ ክንፊ ሱዳን ሕጉሳት ዘይኮኑ ብዙሓት ሱዳናውያን ሲቪላዊ መንግስቲ ናብ ቦትኡ ክምለስ ተቓውሞ ቀጺሎም ኣለዉ፡፡ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ነቶም ኣንጻር ወታሃደራዊ መግዛእቲ ዝካየዱ ዘለዉ ሰልፍታት ተቓውሞ ንምብታን ብዝወሰዱዎም ስጉምቲታት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝተቐተሉ ጸብጻባት ይሕብሩ፡፡ ብተወሳኺ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፈኛታትን፡ ሓምዶክ ምስ'ቲ ሰራዊት ዝኸተሞ ስምምዕ እውን ኣይተቐበሉዎን ዘለዉ፡፡ ገለ ወገናት ከም ጥልመት ክርእይዎ እንከለው ነቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ፖለቲካዊ ሸፈነ ምግባር ምዃኑ ይገልጹ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59633821"} {"headline":"ሱዳን፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት መጥቃዕቲ ፈጺሞም ተባሂሎም","content":"ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ኣንጻር ወተሃደራዊ ምምሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ ዘይተመጣጠነ ሓይሊ ተጠቒሞምን ኣጋፊዖምን ዝብል ክሲ ቀሪብሎም ኣሎ። ምስቲ ተቓውሞ ምትእስሳር ዘለዎ ማሕበር ሓካይም ትማሊ ቀዳም 178 ሰልፈኛታት ከም ዝቘሰሉ ብምግላጽ ሓይልታት ጸጥታ ጠያይቲ ናብ ልክፈኛታት ከምዝተኮሱ ከሲሱ'ሎ። ሰበስልጣን መንግስቲ ሱዳን ብወገኖም ኣብቲ ዝተኻየደ ሰልፊ 58 ኣባላት ፖሊስ ጉድኣት ከም ዝበጽሖምን ኣብታ ርእሰ ከተማ ልዕሊ 100 ሰባት ከም እተኣስሩን ገሊጾም። ኣብቲ ብቐዳም እተገብረ ሰልፊ ዲሞክራሲ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰልፈኛታት ተቓወምቲ ባንዴራታቶም እናወዛወዙን ኣንጻር'ቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ እናጨርሑን ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ንኻልኣይ ግዜ ናብ ፕሬዝዳንታዊ ቤተ መንግስቲ መሪሾም። እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ከባቢ እቲ ቀጽሪ ምስ በጽሐ፡ እቶም ብረት ዝዓጠቑ ኣባላት ጸጥታ ነቶም ሰልፈኛታት ብዘንብዕ ጋዝ ክብትንዎ ፈቲኖም። ኣብ ከም ፖርት ሱዳን ዝኣመሰላ ካልኦት ከተማታት ሱዳን እውን፡ ሰባት ይእሰሩን ይህረሙን ከም ዝነበሩ ዝገልጽ መርኣያታት ቀሪቡ ኣሎ። ሰራዊት ሱዳን ስለምንታይ ብመጻኢ እታ ሃገር ዝጣላዕ ዘሎ? ጀነራላት ሱዳን ቅድሚ ክልተ ወርሒ ዕልዋ ምስ ኣካየዱ ተጣበቕቲ መሰላት፡ ብቐዳም፡ ኣብ ጐደናታት ሱዳን ተኸታታሊ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ክገብሩ መዲቦም። ድሕሪ እቲ ብ25 ጥቅምቲ እተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት፡ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክምለስ ዝጠልቡ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰልፈኛታት፡ ብጎደናታት ካርቱም መሪሾም። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ልዕሊ 100 ሰባት ምስ ፖሊስ ተጋጭዮም። እቶም ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ዝኾና ኣዋልድን ኣንስትን ጾታዊ ግፍዒ ብምፍጻሞም ተኸሲሶም። መራሒ ዕልዋ መንግስቲ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን፡ ነቲ ኣብ ጥቅምቲ እተኻየደ ወተሃደራዊ ሓደ ሓደ ፖለቲካውያን ጉጅለታት ንሰላማውያን ሰባት ኣንጻር ሓይልታት ጸጥታ የለዓዕሉ ብምንባሮም፡ ሰራዊት ሱዳን ውግእ ሕድሕድ ንኸይውላዕ ብምስጋእ ዝወሰዶ ስጕምቲ ከም ዝዀነ እዩ ዝገልጽ። እቲ ስልጣን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምስግጋር ጻዕሪ ከም ዝገብርን ነቲ ኣብ ሓምለ 2023 ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ምርጫ ከምዝፍጽሞን ገሊጹ። እንተኾነ ኩሉ እቲ ሓለዋ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ስለዝካየድ፡ እቲ ሓድሽ ሲቪላዊ መንግስቲ ክንደይ ዝኣክል ሓይሊ ክህልዎ ከምዝኽእል ንጹር ኣይኰነን። እቲ ጀነራል፡ ተቓውሞታ ነቲ ልሙጽ ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ክዕንቅፎ ከም ዝኽእል እውን ኣጠንቂቑ ኣሎ። እቶም ተጣበቕቲ ዲሞክራሲ ተቓወምቲ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ነቲ ኣብ 2019 ንኣስታት 30 ዓመታት ዝገዝአ ስርዓት ዑመር ኣል-በሽር ዝኣለየ ሰውራ ከምዝጨወዮ እዮም ዝነቕፉ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59765767"} {"headline":"ኣብ ናይ ጓሓፍ መኪና ንሰዓታት ተታሒዙ ዝጸንሐ ሱዳናዊ ህጻን ድሒኑ","content":"ኣብ ካርቱም ሱዳን ሓደ ወዲ 10 ዓመት ቆልዓ ንሸሞንተ ሰዓታት ኣብ ናይ ጓሓፍ መኪና ተዓጊቱ ድሕሪ ምጽናሕ ከም ዝድሓነ ተገሊጹ። እቲ ማጂድ ሙባረክ ኢብራሂም ዝተባህለ ቆልዓ ብኮርፖሬሽን ጽሬት ካርቱም ምስ ዝውነን ናይ ጓሓፍ መኪና ይሰርሕ ምንባሩ ፖሊስ ኣፍሊጡ። ንሱ ገለ ጓሓፍ ክድርብይ እንከሎ በቲ ማሽን ተሳሒቡ ክኸውን ከም ዝኽእል ይእመን። ማጂድ ኣብዚ እዋን ኣብ ሆስፒታል ከም ዝርከብ እኳ እንተተገለጸ፡ ፖሊስ ብዛዕባ ኩነታቱ ካልእ ዝርዝራት ኣይሓበን። ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ለይቲ ነቲ ህጻን ንምድሓን እናጸዓሩ ዘርእይ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሰባት ክቀባበልዎ ተራእዩ። መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ከም ዝነገርዎ፡ እቲ ቆልዓ ኣብ ውሽጢ እቲ ናይ ጓሓፍ ማሽን እኳ እንተተቐርቀረ ከብድ-ኢዱ ተቐልቂሉ ይርአ ነይሩ። እቲ ሓደጋ ንኹነታት ናይቲ ቆልዑ ዝምዝመዝሉን ኣብ ውትህድርና ከይተረፈ ዝቑጸሩሉን ሸቕሊ ቆልዑ ኣብ ሱዳን ዘቃልዕ ምዃኑ ገለ ወሃብቲ ርእይቶ ገሊጾም። ኣብ ሱዳን ዘሎ ከቢድ ቁጠባዊ ኩነታት፡ ገለ ቆልዑ ኣብ ሓደገኛ ስራሓት ክዋፈሩ ገይሩ እዩ። ኣብ ካርቱምን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን ብዙሓት ቆልዑ ኣብ ጎደናታት ይረኣዩ። ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣስታት 3 ሚልዮን ዝኾኑ ሱዳናውያን ህጻናት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ርሒቖም ይርከቡ። ኣብ ስራሓት ጽሬት፣ ሸቐጥ፣ ህንጻን ምእካብ ጓሓፍን ተዋፊሮም ንምዝመዛን ዓመጽን ከም ዝቃልዑ ይግለጽ። ኣብ ኮርፖሬሽን ጽሬት ካርቱም ዘሎ ትሑት ክፍሊት'ውን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት መዘራረቢ ኮይኑ ኣሎ፤ ኣብ ቀረባ እዋን ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ተቓውሞታት ምግባሮም ይዝከር። ሓደ ኤል ሳዲቕ ኢሳ ዝተባህለ ተሓላቒ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ሓደ ሰራሕተኛ እቲ ትካል ነበር ኣብ ስራሕ እንከሎ ብዘጋጠሞ ሓደጋ እግሩ ከም ዝተቖረጸን እቲ ትካል ንሕክምና ዝኸውን ገንዘብ ክኸፍለሉ ስለ ዘይከኣለ እቲ ሰብኣይ ኣብዚ እዋን ኣብ ጎደናታት ይልምን ከም ዘሎን ጽሒፉ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60401870"} {"headline":"የመን፡ ዕጡቓት ተቓወምቲ ሑቲ 80 ወተሃደራት ሱዳን ከምዝቐተሉ ገሊጾም","content":"ኣንጻር ብስዑዲ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ኪዳን ክቃለሱ ዝጸንሑ የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 80 ወተሃደራትሱዳን ከም ዝቐተሉ ሓቢሮም። ምስቲ ጉጅለ ቅርበት ዘለዋ መደበር ተለቪዢን ኣል-ማሲራ ኣብ ዝፈነወቶ ቪድዮ፡ ኣብ ሰሜናዊ-ምዕራብ ኣብ እትርከብ ከተማ ሃራድ ንክልተ መዓልታት ዝቐጸለ ውግእ ከም ዝተኻየደ ይገልጽ። ኣብቲ ቪድዮ፡ ዝሞቱ፣ ዝቖሰሉን ዝተማረኹን ወተሃደራት ይራኣዩ። ብዘይካ'ዚ 15 ወተሃደራት ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ከም ዝተቐትሉን፡ ኣስታት 500 ሱዳውያንን ስዑዳውያንን ወተሃደራትከምዝቖሰሉን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ። ብርክት ዝበለ ብረታትን ተተኮስትን ከም ዝመንዝዑ'ውን እቶም ዕጡቓት ገሊጾም። ብዛዕባ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ ክሳራ ግን ኣይገለጹን። ሓይልታት ሱዳን ካብ 2015 ጀሚሩ ኣካል እቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ንግዲ ብምዃን ኣብቲ ካብ 2011 ጀሚሩ ዝቐጸለ ኲናት እቲ ናብ ከተማ ዓደን ክግዕዝ ዝተገደደ መንግስቲ ይሳተፉ ምህላዎም ይፍለጥ። ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ሱዳን ዝነበረ ዑመር ኣል-በሽር ነቲ ኪዳን ንምድጋፍ ኣባላት ምዱብ ሰራዊትን ብፍሉጥ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጎሎ (ሕመቲ) ዝምራሕ ተወርወርቲ ሓይልታትን ክሰድድ ተሰማሚዑ ነይሩ'ዩ። ኣብዚ እዋን'ዚ ክንደይ ዝኣኽሉ ወተሃደራት ሱዳን ከም ዘለዉ ንጹር ኣይኮነን። እንተኾነ ግን፡ ኣብ ሓደ እዋን ኣስታት 30,000 ምንባሮም ጸብጻባት ይሕብሩ። ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣብ ስዑዲን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን መጥቃዕትታት ምፍጻሞም ስግኣት ተፈጢሩ ነይሩ'ዩ። ኲናት የመንን ምትእትታው ስዑዲን ኢማራትን ኣብ 2011 ብቀውዒ ሰውራ ዝፍለጥ ህዝባዊ ኣብያ፡ እቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ስልጣኑ ንዓብዱ ሮቦ መንሱር ኣብ ምርኽኻብ ብዘጋጠመ ዉድቀት ፖለቲካዊ ምስግጋር ዝሰዓበ ዘይምርግጋእ ንየመን ናብ ኲናት ሸሚሙዋ። ዓብዱሮቦ መንሱር ሓዲ፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ዝንቀሳቐስ ኣልቃዒዳ ዘውረዶ መጥቃዕታትን ብልሽውናን ስእነት ስራሕን ሕጽረት ምግብን እታ ሃገር ንምቅላስ ጻዕሪታት ገይሩ ነይሩ። እንተኾነ ንዝሓለፉ ዓሰርታት ዓመታት፡ ኣንጻር መንግስቲ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ክካየድ ዝጸንሐ ምንቅስቓስ ሑቲ፡ ነቲ ዝነበረ ድኽመት መንግስቲ ተጠቒሙ ወሰንቲ ዞባታት ክሕዝ ኪኢሉ። ኣብ መስከረም 2014 ከኣ መንገድታት ብምዕጻዉ ንርእሰ ከተማ የመን ሰንዓ ድማ ተቖጻጺሩ፡ ኣብ ጥሪ 2015 ከኣ ንፕረዚደን ሓዲን ካቢነ ሚኒስትራቱን ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩ ኣእትይዎም። ድሕሪ ወርሒ ከኣ ፕረዚደንት ሃዲ፡ ናብ ወደባዊት ከተማ ደቡብ ዓደን ሃዲሙ። ሑቲን እሙናት ሓይልታት ጸጥታ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕን ነታ ሃገር ሙሉእ ንሙሉእ ብምቁጽጻር ንሃዲ ሃገር ለቒቑ ከምዝወጽእ ገይሮሞ። ኣብ 2015 ስዑዲ ዓረብ እትመርሖ ልፍንታዊ ኪዳን ንፕረዚደንት ዓብዱሮቦ መንሱር ሃዲ ንምምላስን፡ ብኢራን ይድገፉ እዮም ንዝብሎም ምሊሻ ሑቲን ንምድኻምን መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኸፊቶም። እዚ ልፍንታዊ ኪዳን ካብ ሃገራት ኣሜሪካ፡ ብሪጣኒያን ፈረንሳይን ንዋታዊ ሓገዝን ስለያዊ ሓበሬታን ይረክብ ምንባሩ ይፍለጥ። ኤርትራ'ውን ድሒራ ነቲ ኪደን ዘለዋ ደገፍ ብምግላጽ፡ ኢማራት ዓረብ ኣብ ከባቢ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ወተሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ ኣፍቂዳትላ እያ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60754813"} {"headline":"ኣብ ሱዳን ብሓሙስ ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት ተቐቲሎም","content":"ኣብ ሱዳን ቀጺሉ ኣብ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ትማሊ ሓሙስ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ። ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሰራዊት እታ ሃገር ስልጣኑ ንሲቪላውያን ከረክብ ዝጠልቡ ሰልፈኛታት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሱዳን ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ምክያድ ካብ ዝጅምሩ ሳምንታት ተቖጺሮም ኣለው። ብመሰረት ሓበሬታ ጉጅለ ሓካይም ሱዳን እቶም ኣርባዕተ ሰባት ዝተቐትሉ ብሓሙስ ኣብ ኦምዱርማን ኣብ ዝተካየደ ሰልፊ ተቓውሞ እዩ። መንግስቲ ነቲ ሰልፍታት ተቓውሞ ንምቁጽጻር ብዝሒ ዘለዎም ሓይልታት ጸጥታ ከዋፍር እንከሎ፡ ናይ ቴለፎንን ኢንተርኔትን ኣገልግሎት ኣቋሪጹ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ድሕሪ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ ብዝተጉሃሃረ ተቓውሞ ክሳዕ ሕጂ ልዕሊ 50 ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ። ንነዊሕ ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሐ ዑመር ኣልበሽር ብህዝባዊ ተቓውሞ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ ስልጣን ንዝሓዘ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝቃወሙ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝጠልቡ ሱዳናውያን ተኸታታሊ ሰልፍታት ተቓውሞ ይገብሩ ኣለው። ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱምን ኣብ ካልእ ከባቢታትን ሱዳን ንሰራዊት ዝቃወምን ሲቪላውያን መራሕቲ ስልጣን ክርከቡን ዝጠልብ ሰልፍታት ኣብ ምክያድ ይርከብ። ብፍላይ ኣብ ካርቱም ሓይልታት ጸጥታ እኳ እንተተዋፈሩ፡ ሰልፈኛታት ድምጾም ንምስማዕ ናብ ኣደባባያት ካብ ምውጻእ ኣይተቖጠቡን። ብሓሙስ ኣብታ ጥቓ ካርቱም ኣብ እትርከብ ኦምዱርማን ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ኣርባዕተ ሰባት ብጥይት ከምዝተቐትሉ ጉጅለ ሓካይም ገሊጹ። ብዘይካ’ዚ ካልኦት ብዙሓት ከምዝቖሰሉ’ውን ተገሊጹ። እቶም ሰልፈኛታት ናብታ ርእሰከተማ ከይኣትው ንምክልኻል ናብ ካርቱም ዘሳግሩን ኣብ ኣብ ፈለግ ኒል ዝርከቡን ድልድላት እንተወሓደ ብኽልተ ዓበይቲ ናይ ንብረት መጉዓዓዚ ኮንተይነራት እቲ መገዲ ከምዝዕጾ ከምዝተገበረ ይንገር። እቶም ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ካብ ስልጣን ክወርድን እቲ ሰራዊት ካብ ፖለቲካ እታ ሃገር ክስሕብን ዝጠልቡ ሰልፈኛታት ግና ነቲ መኸልከሊ ብምጥሓስ ናብ ቤተመንግስቲ ኣብ ዝተቓረቡሉ ብፖሊስ ተበቲኖም። ብመሰረት እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመትን ገለ ኣዋርሕን ብዝተበጽሐን ዘይተተግበረን ስምምዕ ነቲ ዕልዋ ዝመርሐን መራሒ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ዝኾነን ጀነራል ኣልቡርሃን ስልጣኑ ኣብ ወርሒ ሕዳር ንሲቪላውያን ከረክብ ነይርዎ። እቲ ጀራል ነቲ ዕልዋ ዝፈጸመ፡ ፖለቲከኛታት ንሰላማውያን ሰባት ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ የለዓዕሉ ብምህላዎም ኲናት ሓድሕድ ከይክሰት ንምክልኻል ምዃኑ ብምግላጽ እቲ ስጉምቲ ግቡእ ምዃኑ የረድእ። ሱዳን ኣብ መስርሕ ምስግጋር ከምዘላ ዝሕብር እቲ ጀነራል፡ ነታ ሃገር ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምስግጋር ድልው ምህላው ብምግላጽ ድሕሪ ክልተ ዓመት ምርጫ ከምዝካየድ’ዩ ተዛሪቡ። ድሕሪ እቲ ዕልዋ ጸኒሑ ናብ ስልጣኑ ምስ ዝተመለሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ብዝተበጽሐ ስምምዕ ምርጫ ክሳዕ ዝካየድ ናይ ሞያውያን ካቢነ ከምዝህሉ ተገሊጹ እዩ። እንተኾነ ግና እቲ ሓድሽ ሲቪላዊ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣዘዝቲ ሰራዊት ስለዝኸውን ነታ ሃገር ኣብ ዝመርሓሉ እዋን ዝህልዎ ስልጣን ንጹር ኣይኮነን። ንኣዋርሕ ነቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ ብምቅዋም ኣብ ጎደናታት ሱዳን ብምውጻእ ድምጾም ከስምዑ ዝጸንሑ ሱዳናውያን ግና ኣብቲ ሰራዊት እምነት ከምዘይብሎምን ንዝኾነ ዓይነት ስምምዕ ምምቕራሕ ስልጣን ፈጺሞም ኣይቕበሉን። ንኣስታት 30 ዓመታት ንሱዳን ዝመርሐ ኣልበሽር ብህዝባዊ ተቓውሞ ካብ ስልጣን ተኣልዩ ኣብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምእታው ነታ ሃገር ናብ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምምራሕ መሰጋገሪ መንግስቲ እኳ እንተተመስረተ፤ ኣብ መንጎ ወተሃደራውን ሲቪላውያንን መራሕቲ ምርድዳእ ከይተፈጠረ ጸኒሑ ኣሎ። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ብጀነራል ዓብዱል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ከኣ ነቲ ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ኣብኢስዎ ይርከብ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59836382"} {"headline":"ኣብ ሱዳን ምስ ሰራዊት ንዝተበጽሐ ስምምዕ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻዪዱ","content":"ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱምን ካልኦት ከተማታትን ሱዳን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ልዕሊ እቲ ሰራዊት ጸቕጢ ንምፍጣር ዝዓለመ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም። ኣብቲ ኣብ ኦምዱርማን ዝተኻየደ ሰልፊ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ እቶም ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ዕልዋ ዝኹንኑ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ዘንብዕ ጋዝ ተኵሶም። እቶም ሰልፈኛታታ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብሓይልታት ጸጥታ ንዝተቐተሉ ብዓሰርታት ዝቑጸሩ ብጾቶም ንምዝካር እዮም ናብ ጎደናታት ወጺኦም። እቶም ሰልፈኛታት ነቲ ንቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ናብ ስልጣኑ ክመልስ ዘኽኣለ ምስ ሰራዊት ዝተበጽሐ ስምምዕ'ውን ኮኒኖም። ዓበይቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ሓያላት ናይ ተቓውሞ ድምጽታትን፡ ሓምዶክ ምስ'ቲ ሰራዊት ዝኸተሞ ስምምዕ ክቃወምዎ ጸኒሖም እዮም። ገለ ወገናት ከም ጥልመት ክርእይዎ እንከለው ነቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ብፖለቲካዊ መሸፈኒ ምግባር ምዃኑ ይገልጹ። እቲ ሰራዊት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ብዕልዋ መንግስቲ ብምክያድ ንሲቪላውያን መራሕቲ ኣብ ቀይዲ ብምእታው ብጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሓድሽ መንግስቲ ኣዊጁ እኳ እንተነበረ ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን'ዩ ንቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ናብ ስልጣኑ መሊስዎ። ኣብ መንበሪ ገዝኡ ኣብ መሓዩር ዝጸንሐ ሓምዶክ ምስ መራሒ እቲ ዕልዋ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ሓድሽ ሓበራዊ ስምምዕ ስልጣን እናተፈራሩሙ ኣብ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ተራእዮም። ብሰንኪ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝተላዕለ ተቓውሞን ናዕብን ብዙሓት ሰባት ከምዝሞቱን ክግለጽ እንከሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ መርመራ ክካየድ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ ወተሃደራዊ መራሕቲ ድሕሪ ዕልዋ ንዘካየድዎ ለውጥታት ይግምግም ከምዘሎ'ውን ኣፍሊጡ። ንሱ ኣብ ቀይዲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንዝተዋህቡ መዝነታት ዳግመ-ግምት ከምዝግበረሎም ገሊጹ'ሎ። ብዘይካ'ዚ፡ እቶም በቲ ዕልዋ ካብ መዝነቶም ከምዝወርዱ ዝተገብሩ ሰበስልጣን መሰጋገሪ መንግስቲ ናብ ቦትኦም ክምለሱ ኣዚዙ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59427269"} {"headline":"ሱዳን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ብሰንኪ ህዝባዊ ተቓውሞ ካብ ስልጣኑ ተሰናቢቱ","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፡ ብሰራዊት ሃገሩ ብዝተፈተነ ዕልዋ ኣብ ናይ ቤት ማሕዩር ድሕሪ ምጽንሑ ብጸቕጢ ህዝባዊ ተቓውሞ ቅድሚ ሒደት ሳምንቲ ናብ ስልጣኑ ተመሊሱ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ ስልጣኑ ከምዝወረደ ኣፍሊጡ። ሰራዊት ሱዳን ኣብ ጥቅምቲ ብዘካየዶ ዕልዋ ንምኒስተር ሓምዶክ ኣብ ቤቱ ቀይዱዎ ድሕሪ ምጽናሕ ብዝተገብረ ውዕል ሽርክነት ስልጣን'ዩ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ስልጣን ተመሊሱ ነይሩ። እቶም ተቓወምቲ ግን ምሉእ ብምሉእ ሲቪላዊን ፖለቲካዊን ምምሕዳር ክግበረሎም ስለዝደለዩ ነቲ ምስ ሰራዊት ዝተገብረ ናይ ስልጣን ሽርክነት ነጺጎምዎ ኣለው። ኣብዚ እዋን ሱዳን ኣብ \"ሓደገኛ መቐይሮ\" ከምዘላ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ ብቴለቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ነታ ሃገር \"ናብ ጥፍኣት ከይተምርሕ\" ኩሉ ዝከኣሎ ከምዝገበረ፡ ይኹን እምበር ገና \"ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ክብጻሕ ኣይተኻእለን\" ኢሉ። ኣብ ተሌቪዥን ቀሪቡ \"ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተሰከምኩዎ ሓላፍነት ናብ ህዝቢ መሊሰ፡ ዝኾነ ካልእ ዜጋ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ነዛ ክብርቲ ሃገር ካብዚ ዘላቶ መድረኽ ናብ ሲቪላዊት ደሞክራሲያዊት ሃገር ከሰጋግሩዋ ዕድል ክህቦም ከምዘሎኒ ስለእተሰመዓኒ ስልጣነይ አረክብ ኣለኹ\" ኢሉ። ድሕሪ እቲ ኣብ 2019 ንዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ዓልዩ ነታ ሃገር ናብ ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር ንምስግጋር ዝዓለመ ዘይሻራዊ ህቡብ ህዝባዊ ናዕቢ ሲቪላውን ወታሃደራውን መራሕቲ ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ኣይከኣሉን። መራሒ ዕልዋ መንግስቲ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ነቲ ኣብ ጥቅምቲ እተኻየደ ብሰራዊት እታ ሃገር ዝተገብረ ዕልዋ መንግስቲ፡ እታ ሃገር ካብ ዘንጸላልዋ ዝነበረ ውግእ ሓድሕድ ንምድሓን እቲ ስጕምቲ ከም ዝተወሰደ እዩ ዝገልጽ። ንሱ ሱዳን ክሳብ ሕጂ ነቲ ኣብ ሓምለ 2023 ብምርጫ ዝቐውም ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምስግጋር ትሰርሕ ኣብ መብጽዓላ ኣላ እዩ ዝብል። ብመሰረት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ምስ ሰራዊት እታ ሃገር ዝተገብረ ናይ ስልጣን ሽርክነት ስምምዕ ሚስተር ሓምዶክ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተርነቱ ተመሊሱ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ንካቢነ ሚኒስተራት ክመርሕ እዩ ትጽቢት ተገይርሉ። እንተዀነ፡ እቲ ሓድሽ ሲቪላዊ መንግስቲ ክንደይ ዝኣክል ሓይሊ ክህልዎ ከምዝኽእል ንጹር ኣይነበረን። ስለዝኾነ ከኣ እዩ ህዝቢ ምሉእ ብምሉኡ ሲቪላዊ መንግስቲ ኢና ንደሊ፡ ንሰራዊት ኣይንኣምንን ኢና ብምባል'ዩ ተቓውሞኡ ዝገልጽ ዘሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ ትማሊ ሰንበት ካብ መዝነቱ ድሕሪ ምውራዱ ኣብ መላእ እታ ሃገር ተወሳኺ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ። ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ከኣ ሓይልታት ጸጥታ ናብ ሰልፈኛታት ዘንብዕ ጋዝ ከምዝተኮሱ ይንገር ኣሎ። ኮሚተ ደሞክራሲ ሱዳን ከምዝሓበሮ፡ ኣብ ከተማ ኦምዱርማን ብውሕዱ ክልተ ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ተቐቲሎም ኣለው። እቲ ዕልዋ መንግስቲ ካብ ዝጅምር ክሳብ ሕጂ ኣብ እተገብረ ተቓውሞታት፡ ብድምር 56 ሰባት ከም እተቐትሉ'ዩ ዝሕበር።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59815226"} {"headline":"ሱዳን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሓድሽ መጥቃዕቲ ከፊቱ ክትብል ከሲሳ","content":"ኣብ ሞንጎ ኣብ ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝርከቡ ሰራዊት ክልቲአን ሃገራት ሓድሽ ረጽሚ ከም ዝተወልዐ ጸብጻባት ሓቢሮም። ማዕኸን ዜና ሱዳን ትሪቡን ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ብቐዳም ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሱዳን ሓድሽ መጥቃዕቲ ከም ዝኸፈተ ብምግላጽ በቲ መጥቃዕቲ ሽዱሽተ ኣባላት ሰራዊት ሱዳን ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ። ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ጄነራል ብርሃኑ ጁላ ግን ነቲ ካብ ሱዳን ዝቐረበ ክሲ ብምንጻግ፡ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ሱዳን መጥቃዕቲ ከምዘይፈጸመት ሓቢሩ። እቲ ጄነራል ንኢትዮጵያ ሳተላይት ቴሌቪዥን (ኢሳት) ከምዝበሎ፡ \"ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሱዳን መጥቃዕቲ ኣይፈነወትን፣ መጥቃዕቲ እትፍንወሉ ምኽንያት'ውን የለን\" ብምባል ካብ ሱዳን ንዝቐረበ ክሲ ነጺግዎ። ሮይተርስ፡ ካብ ምንጪታት ሰራዊት ሱዳን ረኺበዮ ዝበሎ ሓበሬታ ጠቒሱ ኣብ ጥቓ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ብዝነበረ ሓድሽ ጎንጺ ሽዱሽተ ሰራዊት ሱዳን ከም ዝተቐትሉ ገሊጹ። ሰራዊት ሱዳን ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ \"ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሚሊሻን ኣብ ኣል ፋሽጋ ኣል ሹግራ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሓይልታቱ መጥቃዕቲ ከም ዝኸፈቱን ሞት ከም ዝስዓበን\" ብምግላጽ . . . \"እንተኾነ ሰራዊት ሱዳን ብዝሃቦ ዓጸፌታዊ ምላሽ ኣብ ልዕሊ እቶም መጥቃዕቲ ዝኸፈቱ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ኪሳራ በጺሑ'ዩ\" ኢሉ። ካብዚ ወጻእ ዝሃቦ ዝርዝር ሓበሬታ ግን የለን። እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝገጥም ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሒሩ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ እዩ ነቲ ክሲ ነጺግዎ ዘሎ። ጀነረል ብርሃኑ፡ ኣብ ልዕሊ ዶብ ጥሒሶም ክኣትዉ ዝፈተኑ ዕጡቓት ስጉምቲ ከምዝተወሰደ እዩ ዝገልጽ። ማዕኸን ዜና ሱዳን ትሪቡን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ዶብ 17 ኪሎ ሜትሮ ሰጊሮም ብምእታው ምስ ሰራዊት እታ ሃገር ከቢድ ውግእ ከም ዝገጠሙ ክገልጽ እንከሎ፡ እቲ ጎንጺ ኣብ ምብራቕ ኡም ዲሳን ባራካት ኖሪንን ዝበሃሉ ቦታታት ከም ዝነበረ ሓቢሩ። ኣብዚ \"ንልዕሊ ሸውዓተ ሰዓታት ኣብ ዝጸንሕ ረጽሚ ከበድቲ ብረትን ኣጽዋራትን\" ከም ዝተተኮሱ ምንጪታት ሰራዊት ሱዳን ጠቒሱ ጸብጺቡ። መንግስቲ ሱዳን፡ ብሞት እቶም ወተሃደራት ኣዝኡ ሓዚኑ ክብል ትሪቡን ኣቓሊሓ። ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ውጥጥ ዘዘኻኸረ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ እቲ ተወሲዱና ዝብልዎ መሬት ብሕጋዊ መገዲን ብዘተን ናይ ምምላስ መርገጺ ከምዘሎን ኲናት ዝኸፍትሉ ምኽንያት ከምዘየሎን ተዛሪቡ። ካብዚ ብተጻራሪ፡ ብወገን ሱዳን ምትንዃያት ከምዘሎ ዝገለጸ እቲ ጀነራል፡ ዕጡቓት ብሱዳን ወገን ዶብ ጥሒሶም ክኣትዉ ከምዝግበር ብምሕባር፡ \"ሱዳን ህንጸት ግድብ ህዳሰ ንምትእጉጓል ትሰርሕ ኣላ\" ክብል ከሲሱ። \"ብዚ ምኽንያት ንሳቶም ዝለኣኹዎም ሓይልታት ኢና ደምሲስና። ናይ በዓልትና ተለኣኣኽቲ ኢና ንድምስስ 'ምበር 'ንስኹም ንምንታይ ትልእኹዎም' ኢልና ናብ ጎንጺ ክንኣቱ ኣይንደልን\" ኢሉ። ሓላፊ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን፡ ሚኒስትር ለገሰ ቱሉ (ዶ\/ር) ብወገኑ፡ ንሃገራዊ ቴሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብዶብ ሱዳን ኣቢሉ ክኣቱ ኣብ ልዕሊ ዝፈተነ ጉጅለ ዕጡቓት ስጉምቲ ከምዝተወስደ ብምሕባር ብመንግስቲ ሱዳን ንዝቐረበ ክሲ ነጺጉ። ክልቲአን ሃገራት ብምኽንያት እቲ ኣብ ከባቢ ዶብ ዘሎ ልሙዕ መሬት ኣል ፋሽጋ ካብ ወርሒ ሚያዚያ 2020 ጀሚሩ ናብ ግጭት ዝኣተዋ ኮይነን ክሳብ ሕጂ 90 ወተሃደራት ሱዳን ከም ዝሞቱ ይግለጽ። ኣል-ፋሽጋ ኣብ ከባቢ ዶብ ሱዳን ዝርከብ ዓቢ ናይ ሕርሻ ቦታ ኮይኑ፡ ንብዙሓት ዓመታት ግን ዕጡቓት ኢትዮጵያ ሒዞምዎ ከምዝጸንሑ እዩ ዝፍለጥ። ኢትዮጵያን ሱዳንን 750 ኪሎ ሜትር ሓባራዊ ዶብ ኣለወን። እንተኾነ ግን እዚ ዶብ ዝበዝሕ ክፋሉ፡ ንጹር ብዝኾነ መገዲ ኣብ ባይታ ኣይተከለለን። ንሱዳንን ኢትዮጵያን ዘዋጥጥ ዘሎ ጉዳይ እንታይ እዩ? ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ትሰሓሓበሉ ዘላ ከባቢ፡ ልሙዕ ኮይኑ፡ ኩርናዕ ኣልፋሽጋ ብዝብል ይፍለጥ። ኣብቲ ዶብ ብኽልቲኡ ሸነኻት ዝርከቡ ሓረስቶት፡ ነቲ ስግሪ ዘሎ ልሙዕ መሬት ይምነዩ። ኩርናዕ ኣልፋሽጋ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ሱዳን፡ ምብራቓዊ ገዳርፍ ዝርከብ መሬት እዩ። ኣልፋሽጋ 250 ትርብዒት ኪሎሜተር ዝሽፍንን ልዕሊ 240 ሄክታር ልሙዕ መሬት ዝሽፍን እዩ። ክልቲኦም መንግስታት ቅድሚ ሕጂ፡ ነዚ ኣሰሓሓቢ ዶብ፡ ዳግማይ ንምሕንጻጽ፡ ናይ ሓባር ፕሮጀክትታት ንምጅማርን ንህዝቢ እቲ ከባቢ ተረባሒ ንምግባር ስምምዓት ተጌሮም ነይሮም። ኣብ 2014 ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝን ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክልቲአን ሃገራት፡ እቲ ዶብ ኣብ ባይታ ዝምልከተሉ ዕለት ክሕብሩ ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም ነይሮም። እንተኾነ ነቲ ዶብ ናይ ምምልካት ስራሕ ክሳዕ ሎሚ ኣይተፈጸመን።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59449759"} {"headline":"ሱዳን፡ ካብ ሰልፈኛታት ተቓውሞ ብውሕዱ 10 ተቐቲሎም ዓሰርታት ድማ ቆሲሎም","content":"እቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ መንበሪ ገዛ ናይቲ ነቲ ዕልዋ ዝመርሕ ዘሎ ጀነራል ከምዘሎ ተፈሊጡ። ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ሌ\/ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ድሕሪ'ቲ ዕልዋ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ገዝኡ ሒዝዎ ከምዝጸንሐን ሎሚ ሰሉስ ናብ ገዝኡ ክምለስ ከምዝኽእልን ተዛሪቡ። ብሰኑይ፡ ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ተለቪዥን እታ ሃገር ብምውጻእ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ ሲቪላውያን መራሕቲ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ውሽጣዊ ቁርቁስ ነቲ ዕልዋ ከካይዱ ከምዝተገደዱ ተዛሪቡ ነይሩ። ሰራዊት ሱዳን፡ ንመሰጋገሪ መንግስቲ'ታ ሃገር ብምፍራስ: ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ ንዝርከቦም ሲቪላውያን መራሕቲ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታው ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ኣሎ። ካብቶም ኣንጻር ሰራዊት ተቓውሞታት ዝቕጽሉ ዘለዉ ሱዳናውያን ብውሕዱ 10 ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት ካብ ርእሰከተማ ካርቱም ሓቢሮም። እቲ ጀነራል ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ \"ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝራኣናዮ ሓደጋ ነታ ሃገር ናብ ኲናት ሓድሕድ መምርሓ ነይሩ\" ኢሉ። \"እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ገዝኡ'ዩ ነይሩ፡ እንተኾነ ግና ጉድኣት ከይወርዶ ፈሪሕና። ሕጂ ኣብ ገዛይ ምሳይ'ዩ ዘሎ\" \"ኣብ ዝሓለፈ ለይቲ ምስኡ'የ ነይረ . . . ንቡር ሂወቱ'ዩ ዝመርሕ ዘሎ . . . እቲ ስግኣት ምስተኣልየ ናብ ገዝኡ ክኸይድ እዩ\" ክብል ገሊጹ። ፖለቲካውያን ሓይልታት ሱዳን ኣንጻር ሓይልታት ጸጥታ ምልዕዓል ይገብረ ስለዝነበሩ፡ ነቲ ሲቪላዊ ምምሕዳር ብምፍራስ፡ ፖለቲካውያን መራሕቲ ኣሲሩ ህጹጽ እዋን ከምዝኣወጀ ተዛሪቡ። ነቲ ዕልዋ ዝኾነነ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶዮ ጉተረዝ እቲ ኣብ ሱዳን ዝተራእየ ምዕባለታት ኣካል ናይቲ ኣብ ኣፍሪቃን ኤስያን ዝረአ ዘሎ \"ለበዳ ዕልዋ መንግስቲ\" እዩ ክብል ገሊጽዎ። \"ሓያላት ሃገራት\" ብመንገዲ ባይቶ ጸጥታ ናይቲ ውድብ ሓቢረን ኣንጻር ከምዚ ዝበለ ምዕባለታት \"ኣድማዒ መግትኢ\" ክገብራሉ ጸዊዑ። ኣመሪካ፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ብሪጣንያ፡ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረትን ኣፍሪቃን ዝርከብዎም ኣባላት ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ዕልዋ ብምኹናን፡ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ኣባላት ከቢነ ሚኒስተራት ዝርከብዎም ፖለቲካውያን መራሕቲ ብህጹጽ ክፍትሑ ጸዊዖም ኣለዉ። = ወተሃደራት ድማ ገዛ ንገዛ ብምኻድ ካብቶም ወደብቲ እቲ ተቓውሞ ዝበልዎም ምእሳር ጀሚሮም ኣለዉ። ኣዛዚ ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን ሌ\/ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ኣብ መንጎ ሲቪላውያን መራሕቲ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ውሽጣዊ ቁርቁስ ነቲ ስጉምቲ ክወስዱ ከምዝተገደዱ ተዛሪቡ። እንተኾነ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ኣብ መንጎኦም ወጥሪ ነጊሱ እዩ ቀንዩ። ሰራዊት ወሲዱዎ ዘሎ ስጉምቲ ነታ ገና ካብ ቁጠባዊ ቅልውላዉ ዘይወጸት ሃገር ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ከምርሓ ከም ዝኽእል ሓደ ካብ ሓለፍቲ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኾነ ኣደም ኣልሒራይካ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ኣንጻር ወተሃደራዊ ዕልዋ ዝቕጽል ዘሎ ተቓውሞታት ትማሊ ሰኑይ ክሳብ ለይቲ ኣብ ጎደናታት ዝሓደሩ ሰልፈኛታት ተቓውሞ እቲ ሲቪላዊ ምሕደራ ናብ ቦትኡ ክምለስ ይጠልቡ ከም ዘለዉ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ዓረብ መሓመድ ዖስማን ካብ ካርቱም ጸብጺቡ። ሓደ ካብቶም ዝቆሰሉ፡ ካብቶም ወተሃደራት ሓደ ተኲሲ እግሩ ከምዝወቕዖ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ። ካልእ ድማ ካብቶም ወተሃደራት ነታጒ ከምዝሰንደወሎም ጸኒሑ ድማ ብጥይት ተኹሲ ከምዝሃረሞም ተዘሪቡ። ካብ ማሕበር ዶኳትር ሱዳን ዝኾነ ኣል-ጣይብ ሞሃመድ ኣሕመድ፡ \"ክልተ ዝተቐትሉ ብዓይነይ ሪአዮም እየ\" ኢሉ። እቲ ቅትለት ድማ ፡ ካብ ቀጽሪ እቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ከ ምዝተፈጸመ ሚኒስትሪ ሓበሬታ ኣብ ፌስቡክ ገጹ ሓቢሩ ኣሎ። ገለ ሰባት ደም ጥብጥብ እናበሎምን ክዳኖም ብደም ተሓጺቡን ዘርእዩ ምስልታት ካብ ሆስፒታል ዝወጽኡ ኣሳእል ይወጽኡ ኣለዉ። እቲ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ከም ዝበሎ፡ ዋላ'ኳ ኣብ ልዕሊኦም ተሪር ስጉምቲ እንተተወሰደ፡ እቶም ሰልፈኛታት ምዝሕሓል ኣየርአዩን። ብዙሓት መንገድታት ብምዕጻውን ጎማታት ብምቅጻልን ተቓውሞኦም ዝገልጹ ዘለዉ ኾይኖም፡ ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስእዮ ድማ 'ወተሃደር ኣየመሓድራናን' ኢለን ኣብቲ ተቓውሞ ይሳተፋ ምህላወን ተገሊጹ። ሰራሕተኛታት ባንኪ ዝኣደሙ ኾይኖም፡ ደኳትር እታ ሃገር ድማ ካብ ድንገተኛ ሕክምና ወጻኢ ስረሖም ጠጠው ከም ዝበሉ ኣዊጆም ኣለዉ። እቲ ዕልዋ መንግስቲ ብዙሓት መራሕቲ ዓለም፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ዓረብ ሊግን ኮኒኖምዎ እዮም። ኣብቲ መሰጋጋሪ መንግስቲ ዓቢ እጃም ዝነበራ ኣመሪካ ድማ፤ ልዕሊ 700 ሚልዮን ዶላር መዲባቶ ዝነበረት ሓገዝ ክትክልክል ምዃና ኣፍሊጣ። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ነቲ ዕልዋ ብምኹናን \"ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክን ካልኦት ሰበስልጣንን ብህጹጽ ክፍትሑ ኣለዎም\" ክብል ጠሊቡ። \"ነቲ ብኽንደይ ጻዕሪ ዝተረኽበ ፖለቲካዊ ስግግር ንምሕላዉ እቲ ቅዋማዊ ቻርተር ብምሉኡ ክኽበር\" ጸዊዑ። ወኪል ቢቢሲ ከም ዝበሎ፡ ትማሊ ሰኑይ ንጎሆ ሓይልታት ጸጥታ ናብ መንበሪ ገዛ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምኻድ በቲ ዕልዋ መንግስቲ ክስማማዕን እቲ መንግስቲ ከም ዝፈረሰ ክእውጅን ከገድድዎ ፈቲኖም ነይሮም። እንተኾነ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ፍቓደኛ ኣይኮነን። እቲ ንሰለስተ ዓመት ክጸንሕ ዝተወሰነሉ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ብሲቪላውያን መራሕትን ወተሃደራውያን ኣዘዝቲን ዝቖመ እዩ ነይሩ። ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንስምምዕ መሰጋገሪ እዋን ከም ዘኽብርን እታ ሃገር ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክትሰጋገር ምዃናን ቃል ኣትዩ'ሎ። ብመሰረት መሰጋገሪ ቻርተር ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ሓምለ 2023 ክካየድ'ዩ ተመዲቡ ዘሎ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59027904"} {"headline":"ሱዳን፡ ኣንጻር ወታሃደራዊ ዕልዋ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም","content":"ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ንተቓውሞ ዝወጽኡ ደገፍቲ ዲሞክራሲ ጠያይትን መንብዒ ጋዝን ብምትኳስ ብውሑዱ ሰለስተ ሰባት ከምዝቐተሉ ኮሚቴ ዶኳትር ገሊጹ፡፡ እቶም ትማሊ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ካርቱምን ካልኦት ከተማታትን ሰልፊ ዘካየዱ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ናብ ቦትኡ ክምለስ ጸዊዖም፡፡ ሚኒስትሪ ውሽጢ ዓዲ ሱዳን ናብቶም ሰልፈኛታት ጠያይቲ ከምዘይተተኮሰ እዩ ዝገልጽ፤ ጎስጎስቲ ግና ልዕሊ 100 ከምዝቖሰሉ ሓቢሮም፡፡ መራሒ እቲ ዕልዋ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ቡርሃን ነቲ ሲቪላዊ ምምሕዳር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዘፍረሶ ዝዝከር እዩ፡፡ እቲ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ዘሎ ጀነራል፡ ኣብታ ሃገር ሓድሕድ ውግእን ፖለቲካዊ ጎንጽን ከይፍጠር ብምስጋእ ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰደ እዩ ዝገልጽ። ሃገራትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ግና ነቲ ዕልዋ ብምኹናን ሲቪላዊ ምምሕዳር ናብ ቦትኡ ክምለስ ይምሕጸና ኣለዋ፡፡ እቶም ባንዴራ ሱዳን ሒዞም ናብ ጎደናታት ካርቱም ዝወጽኡ ሰልፈኛታት 'ወታሃራዊ ኣገዛዝኣ ኣይንቕበልን' ክብሉ ተሰሚዖም፡፡ ትማሊ ኣብ ኦምዱርማን ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ሰለስተ ሰባት ብጠያይቲ ከምዝተቐተሉ ሰንትራል ዶክተርስ ኮሚተ ዝተባህለ ማሕበር ኣፍሊጡ፡፡ ሚኒስትሪ ውሽጢ ዓዲ ሱዳን ግና ሓይልታት ጸጥታ ጠያይቲ ከምዘይተጠቐሙን ብኣንጻሩ ገለ ሰልፈኛታት ንፖሊስ ከምዘጥቅዑን ገሊጹ፡፡ ኣብዚ ሰሙን ጥራሕ ኣብ መንጎ ሰልፈኛታትን ሓይልታት ጸጥታን ብዝተወለዐ ጎንጺ ልዕሊ 10 ሰልፈኛታት ተቐቲሎም እዮም፡፡ ሰብመዚ ሱዳን ኢንተርነትን ካልኦት መራኸቢ መንገድታትን ዝዓጸዉ ኮይኖም ኣብ ምንቅስቓስ እውን ገደብ ኣንቢሮም ኣለዉ፡፡ እቶም ድሕሪ ምውጋድ ዑመር ኣል-በሽር ስልጣን ዝሓዙ ስቪልን ወታሃራውን መራሕቲ ሱዳን ክሳብ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ዝተፈጸመ ዕልዋ፡ ኣብ ኪቢድ ወጥሪ ጸኒሖም ነይሮም። ነቲ ዕልዋ ዝመርሐ ጀነራል ቡርሃን፡ ሱዳን ሕዚ እውን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ከምእትሰጋገርን ኣብ ሓምለ 2023 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ መረጻ ከምዝካየድን ተዛሪቡ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59108467"} {"headline":"ንዕልዋ መንግስቲ ዝቃወሙ ሰዳናውያን 'ንዅላትና ክቐትሉና ኣይክእሉን እዮም' ይብሉ","content":"መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ድሕሪ ነዊሕ ሓርጎጽጎጽ መገዲ ደሞክራሲ ዓጽዩ፡ ወተሃደራዊ ዕልዋ ምስገበረ፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ጐደናታት፡ ርእሰ ከተማ ካርቱም፡ ብተቓውሞ ህዝብን ግዝያዊ ሓጹርን አዕለቕሊቑ ይርከብ። ሕጂ ግን እቲ ዕልዋ መንግስቲ ብዘተ ክፍታሕ እዩ ዝብል እምነት ስለዝተፈጥረ፡ እቲ ኣብ መብዛሕትኡ ቦታታት ዝተነብረ ሓጹርን ዝተክክኽ ጎማታት ተኣልዩ ተሽከርከርቲ ንኺሓልፋ ተፈቒዱ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ እቲ ሰራዊት ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ዝኾነ መጥቃዕቲ እንተፈጺሙ እቲ ዕግታ መገዲ ክቕጽልን ተቓውሞ ክባራዕ ከም ዝኽእል ሰፊሕ እምነት ኣሎ ። ኣብቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ድሕነት ኣንስትን ቈልዑን ክትከላኸል ዕማም ዝተዋህባ ሱሊማ ኤልኻሊፋ \"ብዘይካ ዘተ ካልእ መገዲ የለን\" ክትብል ተዛሪባ። \"ኣብዚ እዋን ሰባት ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ቘሪጾም ተላዒሎም ኣለዉ ። ፖለቲካዊ ንቕሓት እውን ይዓቢ'ሎ። ድሕሪ ናይ 30 ዓመት ወተሃደራዊ ምልካዊ ስርዓት እንደገና ብምልኪ ኣይንግዛእን ኢና። መንእሰይ ሱዳን ንልዕሊ 50% ህዝቢ እዛ ሃገር ይውክል እዩ። ነዚ መንግስቲ'ዚ ከምዘይንደልዮ ንጹር እዩ። ንዅላትና ክቐትሉና ከኣ ኣይክእሉን እዮም። ነዚ ሕልሚ እዚ ክቐትልዎ ኣይክእሉን እዮም \" ኢላ። እቲ ብዕልዋ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ፡ ኣብ ቤት ተሓይሩ ዘሎ ቀዳማይ ምኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፡ ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ደገፍ ዝነበሮ'ዩ ዝመስል። ሚስ ኤልኻሊፋ፡ \"ሓምዶክ ኣብ ቃሉ ዝጽንዕ ሰብኣይ እዩ፣ ስለዚ ከኣ እዮም ሰባት [ቊጠባዊ ጸገማት እውን እናሃለዎም] ንሓምዶክ ዝኣምኑሉ\" ትብልሞ ብምቕጻል ከኣ \"ግብጽን ስዑድያን እቶም ካልኦት ንዕልዋ ዝድግፉ ሰባት ሓሳቦም ክቕይሩ ተስፋ ንገብር\" ኢላ። ኣብ ካርቱም ናይ ግሊ ሮያል ኬር ሆስፒታል ዝሕከሙ ዘለው ግዳያት ደገፍቲ ዕልዋ ወተሃደራዊ ልዑል ቈራጽነት ነይርዎም ። ሙሃየድ ፈይሰል ዝስሙ ወዲ 18 ዓመት ተመሃራይ፡ ኣብቲ ሰልፊ ተቓውሞ ኣብ ኣእጋሩ ብክልተ ጥይት ተሃሪሙ። \"ምስ ትሽዓተ ሰባት እየ ተወጊአ። ንመጠንቀቕታ እኳ [ንላዕሊ ኣይተኮሱን] ብቐጥታ ተዅሲ ጀሚሮም። ወተሃደራት፡ ከም እንስሳ እዮም። ምናልባት እውን እንስሳታት ይሕሹ ይዀኑ \" ሕጂ ኣብ የማናይ እግሩ ሰለስተ መጥባሕቲ ተገይርሉ። \"ሕቶና ኣይተቐየረን - ሰራዊት ኣይገዝኣናን እዩ\" እናበለ፡ ሓደ ሓኪም ድሕሪ መጥባሕቲ ናብ ውንኡ ተመሊሱ እንተኾይኑ ምስተንከፎ ከምዝተበራበረ ይገልጽ። ኣብ ጥቓኡ ኣብ ዝነበረት ዓራት፡ ወዲ 54 ዓመት ሰፋይ ክዳን ያሲር መሓመድ ዓሊ ዓብዱላ በዝማዱ ተኸቢቡ ነበረ። ዕልዋ መንግስቲ ምስተፈጸመ፡ ካብ ድኳኑ ወጺኡ ናብቲ ተቓውሞ ክጽንበር እንከሎ ኣብ ጥቓ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ሓንቲ መኪና ደይ መደይ ኢላ ረጊጻቶ ከይዳ። \"ብድሕሪኡ፡ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ሰባት መጺኦም ኣብ ዝባነይን ኣብ ኣፍልበይን ብበትሪ ቀጥቂጦምኒ። ናብቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ሓርነት ሰላምን ፍትሕን ክሓትት እየ ዝኸይድ ነይረ። እቶም ሰራዊት መሰልና ከረጋግጹ ዘይክእሉ እንተኾይኖም፡ ዩኒፎርምታቶም ኣውጺኦም፡ ነቶም ከምኡ ክገብሩ ዝኽእሉ ኪሓድግሎም ኣለዎም\" ኢሉ። ነቲ ብ2019 ስልጣን ዝሓዘ ንወተሃደራዊ ኣመራርሓ ኣልበሽር ዝቃወሙ ]ይልታት፡ ብዛዕባ ቅርጽን ዕድልን ናይ'ቲ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝሳተፉ ዝተፈላለዩ ወገናት ወይ ውድባት ግምታዊ ግምታት ኣሎ። እንተዀነ ግን፡ ኣብ ካርቱም ዝርከቡ ዲፕሎማስያውን ካልእ ምንጭታት ኣብቲ ብድርኺት ሓያል ኣህጉራዊ ጸቕጢ ዝካየድ ዝርርብ ርእይቶኦም ክህቡ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን። መራሒ ዕልዋ መንግስቲ ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን፡ \" ሰራዊት፡ ውግእ ሓድሕድ ንከይለዓል እዩ ጣልቃ ኣትዩ\" ይብል። ኣፈኛ ኣልቡርሃን ጡረተኛ ኣድሚራል ፈታሕ ኣል-ራሕማን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ \"እዚ ተግባር ዕልዋ መንግስቲ ከም ዘይነበረ \"ግዜ\" ከርእየና እዩ። ሲቪላዊ መንግስቲ ናብ ቦትኡ መሊስና ህዝባዊ ምርጫ ክንገብር ኢና። ሽዑ ሰራዊት ጠቕሊሉ ክወጽእ'ዩ\" ኢሉ። ሓደ ካብቲ ዕልዋ መንግስቲ ድሕሪ ምክያዱ ብወተሃደራት እተዓጽወ ትካል፡ እቲ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ኮሚተ እዩ ነይሩ። እቲ ትካል፡ ነቲ ኣብ ስርዓት ኣልበሽር ብሓያሎ ሰባት ተሰሪቑ እተባህለ ቊጠባዊ ሃብቲ ንምጽራይን ንምምላስን ዝተፈጥረ ኮሚተ እዩ ነይሩ። ሒደት ኣዋርሕ ቅድሚ እቲ ዕልዋ፡ ሓደ ካብቶም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እቲ ኮሚተ ዝነበረ ዋጅዲ ሳልሕ፡ እቲ ክፍልን ናይ ወንጀለኛታት ዝበሎም ንመርትዖ ዝኸውን ፋይላትን ንቢቢሲ ኣርእዩ። \"እዞም ሰባት እዚኦም፡ ገለ ካብቲ ኣብዛ ምድሪ ዝግበር ዝዓበየ ናይ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ዕድጊ ንጥፈታት ዘካይዱ ሰባት እዮም። ሕጂ ነቲ ዝጠፍአ ብቢልዮናት ዝቝጸር ገንዘብ ንሃድኖ ኣለና። እቲ ኣረጊት ስርዓት [ነቲ ሰውራ ንምትዕንቓፍ] ይጽዕር እኳ እንተሎ ግን ፈጺሙ ኣይክሰልጦን እዩ \" ኢሉ ። ንሱ ኣብዚ ዕልዋ'ዚ ተታሒዙ ምስ ብዙሓት ኣብ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝነበሩ ጽልዋ ዝነበሮም ሰባት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ። \"ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብኣጻራይት ኮሚተ እተገብረ ምርምር፡ ኣብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ካብ ወርቅን ገንዘብን ጀሚርካ ዝተፈላለየ መሸጣን ኮሚሽንን ዝርከቦ ልዑል መጠን ብልሽውና ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ \"ይብል ካብ ምጅማር እቲ ሰውራ ኣትሒዙ ኣብ ተለቪዥን ሱዳን ዝሰርሕ ዘሎ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ነበር ሞሃናድ ሓሺም። ኣድሚራል ኣል-ራሕማን ብወገኑ፡ እቲ ኮሚተ \"በቲ ሕጊ ተጠቒሙ ሓድሽ ዓይነት ብልሽውና ክፈጥር ጸኒሑ\" ይብል። \"እቶም ዝሰረቑ ተሓተትቲ ክዀኑ ኣለዎም። ግን ከኣ ፍትሓዊ መስርሕ ክኸውን ኣለዎ \" ይብል ። ኣብ እዋን እቲ ዕልዋ ዝተዓጽወ ኣገልግሎት ወደብ ሕጂ ተላዒሉ ኣሎ። እቲ ወተሃደራዊ ኣካል እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ቁጠባዊ ጸቕጢ ንከጋጥሞ ክብል ነቲ ዕግታ ወደብ ከምዝፈጸሞ እዩ ዝጥርጠር። ሕጂ ግን ኣብ ካርቱም ብዙሕ ቀረባት መግብን ምምሕያሽ ዋጋታትን ተራእዩ ኣሎ ። ይኹን እምበር፡ እቶም ዕልዋ መንግስቲ ዘካይዱ ሰባት፡ ነቲ ዕዮኦም ብገለ ክንክን ባይታ ዘጣጥሑሉ ዘለው እኳ እንተ መሰሉ፡ ነቲ ብቝጠባዊ ጸገማት እናተሸገረ ክነሱ፡ ነቲ ሰውራ ንምቕጻል ቈሪጹ ኣብ \"ጐደናታት\" ዝወጽአ ህዝቢ ብጌጋ ዝረኣይዎ እዮም ዝመስሉ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59159767"} {"headline":"ኣብ ሱዳን ዓሰርተ ኣርባዕተ ሰልፈኛታት ከም ዝተቐትሉ ሓካይም ገሊጾም","content":"ኣብ ሱዳን ንዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ ብምቅዋም ኣብ ጎደናታት ንዝካይድ ዘሎ ኣሽሓት ዝሳተፍሉ ሰላማዊ ሰልፍታት ንምብታን ሓይልታት ጸጥታ ብዝቶኮስዎ ጠያይቲ 14 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሓካይም እታ ሃገር ገሊጾም። ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም፡ ኣብ ልዕሊ ካልእ ጉጅለ ተቓወምቲ ድማ መንብዒ ጋዝ ከምዝተቶኮሶም'ውን ምንጭታት ገሊጾም። ነጠፍቲ ሱዳን፡ እዛ ዕለት ሓደ ሲቪላዊ መራሒ ካብቲ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ስልጣኑ ዝርከበሉ ግዜ እዩ ነይሩ'ሞ ንዘክራ ብዝብል ህዝቢ ናብ ጎደናታት ወጺኡ ተቓውምኡ ከስምዑ ጻውዒት ይገብሩ ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ዝመርሐ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል-ቡርሃን ነቲ ናይ ሓባር መሰጋገሪ መንግስቲ ኣፍሪሱን ንሲቪላዊ መራሕቲ ኣሲሩን ንርእሱ ሓላፊ ሓድሽ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ገይሩ ሸይሙ ኣሎ። ሓይልታት ጸጥታ ብወገኖም ናይ ሓይሊ ስጉምቲ እናወሰዱ እንተኾኑ'ኳ፡ ሰብኡት፣ ኣንስቲ ህጻውንቲ ናብ ጎደናታት ወጺኦም ተቓውሞ የስምዕ ኣለዉ። ሓይልታት ጸጥታ ጭካነ ዝተመልኦ ስጉምቲ ይወስዶ ከምዘለዉ ዘርእኡ መረዳእታት ይወጽኡ ኣለዉ። ኣብ ዝተፈለላለዩ ከባብታት፤ ጉጅለታት ተቓውሞ ባንዴራ ሱዳን ከንበልብሉን ነቲ ሰራዊት ከኹንኑን ተራእዮም። እቶም ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ቃልሲ ዘካይዱ ዘለዉ ሰልፈኛታት ሓያል ድጋፍ ማሕበረሰብ ዓለም ኣለዎም። ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ እቲ ሰራዊት ካብ ተግባሩ እንተዝእረም፡ እቲ ብፍላይ ኣብዚ እዋን ንሱዳን ኣዝዩ ዘድልያ ገንዘባዊ ሓገዝ ምተለቐቐ ነይሩ ኢሉ። ኣመሪካ ንሱዳን ቃል ዝኣተወቶ ገንዘባዊ ሓገዝ፡ ነቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ስዒቡ ምእጋዳ ዝዝከር እዩ። ሓለፍቲ ጸጥታ እታ ሃገር ግን፡ ብናቶም መገዲ ጥራይ ዝጓዓዙ ዘለዉ ይመስሉ፤ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ስጉምቲ ምውሳድ ቀጺሎምሉ ኣለዉ። እንተኾነ እዚ፡ ነቶም ተባዓት ሰልፈኛታት ሱዳን ካብ ምቅዋም ንድሕሪት ኣየበሎምን። ነዚ እዩ ድማ፡ ሱዳን ኣብ ኣዝዩ ወጥሪ ዝመልኦ ኩነታት እትርከብ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59329424"} {"headline":"ቅልውላው ሱዳን፡ ናብ ዴሞክራሲ ትሓኩር ዘላ ሱዳን ኣብ ጫፍ ሓደጋ","content":"ሱዳን ካብቲ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ብሓይሊ ዝተዓለወሉ 2019 ጀሚራ ኣብ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ትርከብ። ኣብ መጻኢ እታ ሃገር ድምጺ ክህልዎም ዝደልዩ ጉጅለታት ብዙሓት ምስ ምዃኖም እቲ ናብ ሓበራዊ ምርድዳእ ንምምጻእ ዝግበር ጻዕርታት ውጽኢታዊ ኣይኮነን። ኣል-በሽር ድሕሪ ሰሙናት ዝወሰደ ህዝባዊ ተቓውሞ ብሰራዊት ካብ ስልጣኑ ከምዝተዓለወ ይዝከር። ብድሕሪኡ ከኣ ሓይልታት ናጽነትን ለውጥን ዝብል መጸውዒ ዝሓዘ ስምረት ጉጅለታት ነቶም ተቓወምቲ ብምውካል ተቐልቂሉ። ተቓውሞ ሱዳናውያን “ህዝቢ ንውድቀት እቲ ስርዓት ጥራሕ’ዩ ዝደሊ” ዝብል ምስቲ ናይ ‘ዓረብ ስፕሪንግ’ ዝመሳሰል ጭርሖ ነይርዎ። ሓበራዊ ድልየቶም ነቲ ንኣስታት 30 ዓመታት ንሱዳን ዝመርሐ ኣል-በሽር ካብ ስልጣኑ ምእላይ ጥራሕ ከምዝኾነ’ዮም ኣፍሊጦም። ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ድማ ዝተፈላለዩ ክስተታት እናተረኣዩ ከመይ ናብ ቅድሚት ምስጓም ከምዝከኣል ቁሩብ ሓበራዊ ምርድዳእ ተፈጢሩ ነይሩ። ኣብ ሞንጎ ሰራዊትን ሓይልታት ነጻነትን ለውጥን [‘ፎርስስ ፎር ፍሪደም ኤንድ ቻንጅ\/ FFC’] ምምርቓሕ ስልጣን ክህልው ስምምዕ ተገይሩ። መረጻ ንኽካየድን ስልጣን ብሰላማዊ መገዲ ናብ ሲቪል መንግስቲ ንኽሰጋገርን ብምሕሳብ ድማ ነታ ሃገር ንሓደ ዓመት ዝመርሕ ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ኣቚሞም። ሸቶታት እቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ይጋሃዱ ምህላዎም ንምርግጋጽ ድማ ኣብ ቀረባ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ሓድሽ ፖለቲካዊ ኣዋጅ (‘ማኒፌስቶ’) ኣጽዲቖም። ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ መስርሕ ውሳነ ምሃብ እቲ ግዚያዊ መንግስቲ ዓብዪ ተሳትፎ ክህልዎም’ውን ጠሊቦም። ኣብ ሞንጎ እቶም ዝተመሓዘዩ ጉጅለታት ዝፍጠር ዘሎ ምክፍፋል ይዓብይ ምህላዉ ይግለጽ። ብርግጽ ኣብቲ ሓድሽ ሰነድ ናይ ኩሎም ተወከልቲ ኣይኮኑን ፈሪሞምሉ። ኣብ ክልተ ዝተመቐሉ ጉጅለታት ኣብ ዋንነት ሓይልታት ነጻነትን ለውጥን [‘ፎርስስ ፎር ፍሪደም ኤንድ ቻንጅ\/ FFC’] ክሰሓሓቡ ጀሚሮም ኣለዉ። ኣብ ክንዲ ንኣፈላላያት ዘጽብቡ እቲ ጉባኤ ኣብ ሞንጎኦም ንዘሎ ነቓዕ ዘግፍሕ ኮይኑ’ሎ። ነቲ ናይ ስልጣን ክፍፍል ዝቃወሙ ሲቪል ፖለቲካዊ ጉጅለታት እውን ኣለዉ። “ባዕላዊ -ዕንወት” ንሲቪላት ብምውካል ቀዳማይ ሚንስትር ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፤ ሓድነት ክህልውን ኣብ ሞንጎ ውድባት ፖለቲካ ዘሎ ምርሕሓቕ ከብቅዕን ብምጽዋዕ፤ እቲ ሕዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ግን ንዴሞክራሲያዊ ስግግር ስልጣን እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ከምዘውድቕ ኣጠንቂቑ ነይሩ። ጸሓፊ ታሪኽ ሪቻርድ ኮኬት፤ ኣፈላላያት ወይ ምግምማዕ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ሱዳን ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ልሙድ ተርእዮ ከምዝኾነ የረድእ። ‘ሱዳን፡ ውድቀትን ምክፍፋልን ናይታ ኣፍሪቃዊት ሃገር’ [‘Sudan: The Failure and Division of an African State’] ዝብል ርእሲ ኣብ ዝሃቦ መጽሓፉ፡ ነቲ እታ ሃገር ናጽነታ ካብ ዝረኸበትሉ 1956 ጀሚሩ ንዘሎ ዋሕዚ ፖለቲካዊ መደብ ኣነጺሩ’ሎ። “እዚ ርሱን ፖለቲካዊ ውድድር ኣብ ልዕሊ ዴሞክራሲ ባዕላዊ-ዕንወት ናይ ምፍጻም ዋጋ የኽፍል ምህላዉ” የረድእ። እቲ ዝሰባበርን ዝፈናጨልን ተርእዮታት ንፖለቲካ ሱዳን እናዳኸሞ’ዩ መጺኡ። ግዜ፣ ናብ ስምምዕ ዘይምምጻእን ሓበራዊ ምርድዳእ ዘይምፍጣርን ነቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ናብ ስልጣን ንኽመጽእ መገዲ ዝኸፈቱ ምኽንያታት ኮይኖም ኣለዉ። እቲ ወተሓደራዊ ሓይሊ ድማ ነቲ ፖለቲከኛታት ኣንቂሎምዎ ዝብሎ ጎንጺ ከረጋግእ ብዝብል ምኽንያት’ዩ ዕልዋታት ዘካይድ። ቅድሚ ሓደ ዓመትን ሸውዓተ ወርሕን ኣብ ልዕሊኡ ካብ ዝተፈተነ ቅትለት ዝተረፈ ቀዳማይ ሚንስትር ሓምዶክ፤ እቲ ምክፍፋል ኣብ ውሽጢ ሲቪላዊ ምምሕዳር ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ውሽጢ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ’ውን ከምዝኾነ ይገልጽ። ኣብ ቀረባ ክምዕብሉ ዝጀመሩ ተርእዮታት ከኣ፤ እቲ ሰራዊት ንሲቪላዊ ምምሕዳር ብምእላይ ስግግር መንግስቲ ናይ ምክያድ ሓላፍነት ክወስድ ዝጽውዕ ተቓውሞ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ንኸውላዕ ምኽንያት ኮይኖም ኣለዉ። ንሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ናብ ሲቪላት ዝሰጋገረሉ እዋን እናተቓረበ ይመጽእ ብምህላዉ ከኣ እቲ ወተሃደራዊ ክንፊ ነዚ ዘጓትተሉ ምኽንያታት ይእልሽ ከምዘሎ ይግለጽ። ብድሕሪ እቶም ኣብ ቀረባ እዋን ዝውልዑ ዘለዉ ናዕብታት ተሳትፎ፣ ዝተፈተነ ዕልዋ መንግስቲን ምዕጻው ኣብ ሰሜን ሱዳን ዝርከብ ወሳኒ ወደብን ከምዘሎ ድማ ይጥርጠር። ጻምእ ስልጣን ከምዘይብሎም እንተገለጹ’ኳ ኣብ ውሽጢ’ቲ ወተሃደራዊ ክንፊ ዘለዉ ዓበይቲ መራሕቲ ግን ብተደጋጋሚ ንሲቪላውያን ፖለቲከኛታት ብቕሉዕ ክነቕፉ ይስምዑ። ድልየቶም ንሱዳን ምርግጋእን ብልጽግና ምምጻእን ጥራሕ ከምዝኾነ’ዮም ዝገልጹ። እዚ ኣባሃህላ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኩልጊዜ ዝኣትዎ ዝተለመደ መብጽዓ ምዃኑ ይፍለጥ። ካብ ሞንጎ እቶም ዝስምዑ ድምጽታት ብዓብላልነት ዝግለጽ ናይቲ ኣዘራራቢ ዝኾነ ምኽትል ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሞሓመድ ሓምዳን “ሄሜቲ” ዳንጋሎ እዩ። መራሒ ናይቲ ኣብ 2003 ኣብ ዳርፎር ዝነበረ ጎንጺ ብዝተፈጸመ ግህሰታት ዝሕተት ጉጅለ ሚሊሻ ጃንጃዊድ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ኣብዚ እዋን ከኣ እቲ ጉጅለ ስሙ ናብ ሓይሊ ህጹጽ ሓገዝ [Rapid Response Force] ዝቐየረ ኮይኑ ምስቲ ስሩዕ ሰራዊት ሱዳን ዘለዎም ዝምድና ሰላማዊ ኣይኮነን። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ፖለቲከኛታት ንመንበሮም ወይ ስልጣን ጥራሕ ከምዝግደሱ ብምግላጽ፤ ከምኡ ዝበሉ ወተሃደራት ግን ብዝያዳ ንህዝቦምን ሃገሮምን ከምዝጭነቑ ተዛሪቡ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን ንሰራዊት ዝድግፉ ተቓወምቲ ናብ ጎደናታት ከተማ ካርቱም ወጺኦም ነይሮም። ሓድሽ መንግስቲ ክጣየሽን ሰራዊት ከኣ ነቲ ናይ ስግግር እዋን ክመርሖ ጸዊዖም። እንተኾነ ኣብቲ ብቐዳም ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞ ዝተሳተፉ ኩሎም ነቲ ሰራዊት ዝድግፉ ኣይነበሩን። ኣብ ውሽጢ እቲ ትኽክለኛ ሓይልታት ነጻነትን ለውጥን [‘ፎርስስ ፎር ፍሪደም ኤንድ ቻንጅ\/ FFC’] ተሰግሲጎም ካልኦት ጉጅለታት ኣብ መስርሕ ስግግር መንግስቲ ከይሳተፉ ዝገብሩ ጉጅለታት ከምዘለዉ’ዮም ዝገልጹ። እቲ ኣብ 2019 ዝተኻየደን ነታ ሃገር ካብ ሓደጋታት ጎንጺ ከምዘድሓነ ዝዝረበሉን ስምምዕ ምምርቓሕ ስልጣን ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ኩሎም ኣካላት ብዝፍጠር ጸቕጥታት ኣብ ሓደጋ ወዲቑ’ሎ። እዚ ምስሕሓብ ድማ ኣብ ሞንጎ ወተሃደራውን ፖለቲካውን መራሕቲ ዘጋጠመ እዩ። ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣሌክስ ደዋል ኣብ ቀረባ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ እታ ንዝሓለፉ 60 ዓመታት ኣብ መንነትን ፖለቲካዊ ስርዓትን ሓበራዊ ራእይ ክትፈጥር ተጸጊማ ዝጸንሐት ሱዳን፤ ኣብዚ ሓጺር እዋን ሃገራዊ ሓድነት ክትፈጥር’ያ ኢልካ ምጽባይ ግርህነት ከምዝኸውን ገሊጹ ነይሩ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58980512"} {"headline":"ስዑድያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሲቪላዊ መንግስቲ ሱዳን ናብ ቦትኡ ክምለስ ጸዊዐን","content":"ስዑድ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፡ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ሲቪላዊ መንግስቲ ሱዳን ናብ ንቡር ክምለስን ጸዊዐን። እዘን ንሰራዊት እታ ሃገር ይሕግዛ እየን ተባሂለን ዝሕመያ ሃገራት፡ እቲ ብዕልዋ መንግስቲ ዝተኣለየ መንግስቲ ሱዳን ናብ ንቡር ቦትኡ ክምለስ ክሓታ ንፈላማ እዋን እዩ። ንሳተን፣ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ኣመሪካን፡ ብቤት ጽሕፈት ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣቢሉ ኣብ ዝወጽአኦ ሓበራዊ መግለጺ፡ \"ነቲ ኩነታት ስዒቡ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ብሙለኦም ብቕልጡፍ ክፍትሑ ኣለዎም\" ክብላ ጸዊዐን። እቲ ሰራዊት፡ ኣብታ ሃገር ኣንቢርዎ ዘሎ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ድማ ከልዕል እቲ ሓበራዊ መግለጺ ይሓትት። እቲ መግለጺ ብምስዓብ፡ \"ዓመጽ ኣብ ሱዳን ቦታ ክወሃቦ የብሉን፤ ኣብዚ ኣጸጋሚ እዋን ኣብ መንጎ ኩሎም ኣካላት ጠቓሚ ልዝብ ክግበርን፤ ኩሎም ኣካለት ድሕነት ህዝቢ ሱዳን ቀዳምነት ዝወሃቦ ምዃኑ ከረጋግጹን ንምሕጸን\" ይብል። እቲ ሰራዊት ኣብ ቀይዲ ዘእተዎም ክፈትሕን ናብ ስልጣን ምምጥጣር ጠጠው ከብልን ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ከቢድ ጸቕጢ ክፍጠር ጺኒሑ እዩ። ሰራዊት ሱዳን ንመሰጋገሪ መንግስቲ'ታ ሃገር ብምፍራስ: ቀዳማይ ሚኒስተር ንዝርከቦም ሲቪላውያን መራሕቲ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታው ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ኣሎ። ኣዛዚ ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን ሌ\/ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ኣብ ተለቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ ሲቪላውያን መራሕቲ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ውሽጣዊ ቁርቁስ ነቲ ስጉምቲ ክወስዱ ከምዝተገደዱ ተዛሪቡ። ነቲ ዝካየድ ዘሎ ዕልዋ መንግስቲ ዝቃወሙ ሰልፈኛታት ኣብ ጎደናታት ካርቱም ወጺኢም ሓያል ተቓውሞ የስምዑ ኣለዉ። ዛጊድ ዓሰርተ ሰልፈኛታት ካብ ፖሊስ ብዝተተኮሰ ጥይት ከምዝተቐትሉ ድማ ጸብጻባት ይሕብሩ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59160083"} {"headline":"ቅልውላዉ ሱዳን፡ መራሕቲ ሰራዊት ንመሰጋገሪ መንግስቲ ብምፍራስ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ","content":"ሰራዊት ሱዳን ንመሰጋገሪ መንግስቲ'ታ ሃገር ብምፍራስ: ቀዳማይ ሚኒስተር ንዝርከቦም ሲቪላውያን መራሕቲ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታው ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ኣሎ። ኣዛዚ ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን ሌ\/ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ኣብ ተለቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ ሲቪላውያን መራሕቲ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ውሽጣዊ ቁርቁስ ነቲ ስጉምቲ ክወስዱ ከምዝተገደዱ ተዛሪቡ። ነቲ ዝካየድ ዘሎ ዕልዋ መንግስቲ ዝቃወሙ ሰልፈኛታት ኣብ ጎደናታት ካርቱም ወጺኢም ሓያል ተቓውሞ የስምዑ ኣለዉ። ዛጊት ሰለስተ ሰባት ካብ ሓይልታት ጸጥታ ብዝተተኮሰሎም ጥይት ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም። \"ንደሞክራስያዊ ስግግር ሱዳን ሂወትና ክንከፍል ድልዋት ኢና\" ክብል ሓደ ካብቶም ተቓውምኦም ንምስማዕ ኣብ ጎደናታት ዝወጸ ሓይታም መሓመድ ንኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ተዛሪቡ። ካልእ ብጻዩ፡ ሳውሳን ባሽር ብወገኑ፡ \"ሲቪላዊ መንግስቲን መሰጋገሪ እዋንን ክሳብ ዝምለስ ካብ ጎደናታት ኣይክንከይድን ኢና\" ኢሉ። እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ዴሳዊ ሰልፊ ሱዳን ነቲ ብሰራዊት ተወሲዱ ዘሎ ዕልዋ መንግስቲ ከምዘይድግፍ ብምግላጽ፡ \"ክሳብ እቲ ዕልዋ ዝሰዓር\" ሰፊሕ ህዝባዊ ኣብያ ክካየድ ጸዊዑ። ኣብ መላእ ካርቱም ኣገልግሎት ኢንተርኔት ምሉእ ብምሉእ ከምዘቋረጸን፡ ካብን ናብን ካርቱም ዝግበር በረራታት ድማ ጠጠው ኢሉ ከም ዘሎን ጸብጻባት ይሕብሩ። ንዖመር ኣል በሽር ካብ ስልጣን ንምዕላው መሪሕ ተራ ዝነበሮ ማሕበር ሞያውያን ሱዳን፡ ኣብ ሱዳን ንዝፍጸም ዝኾነ ወተሃደራዊ ዕልዋ ንምቅዋም ህዝቢ ናብ ጎዶናታት ክወጽእ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ። ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሲቪላውያን ሰበስልጣን እቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ ኣበይ ከምዘሎ ዛጊት ኣይተፈልጠን። ገለ ጸብጻብት ግን ናይ ገዛ እሱር ኮይኑ ከምዘሎ'ዮም ዝገልጹ። መደበር ተለቪዥን ኣል ሓዳዝ መንነቶም ዘይተፈለጡ ዕጡቓት ናብ መንበሪ ቤት ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ብምእታው ከም ዝሓይርዎን ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ንኣርባዕተ ካቢነ ሚኒስተራትን ንሓላፊ ኣባል ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ከም ዝኣሰርዎን ገሊጻ ነይራ። ሮይቶርስ ንኣባላት ስድራ ብምጥቃስ ቅድም ክብል ኣብ ዘውጽዞ ጸብጻብ፡ እቶም ዕጡቓት ናብ መንበሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ብምእታው ንዓብደላ ሓምዶክን ንኣማኻሪኡን ሎሚ ሰኑይ ከም ዝኣሰርዎም ሓቢሩ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ዝካየድ ዘሎ ዕልዋ መንግስቲ ብምቅዋም፡ ህዝቢ ወጺኡ ነቲ ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ዝግበር ስግግር መስርሕ ክጣበቕን ወጺኡ ተቓውምኡ ከስምዕን ጻውዒት ከምዘቕረበ ሚኒስትሪ ሓበሬታ ሱዳን ኣብ ናይ ፌስ ቡክ ገጹ ሓቢሩ ነይሩ። እቲ ኣብ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣቦ መንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊትን ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ተለቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብታ ሃገር ህጹጽ እዋን ከምዝኣወጁ ኣፍሊጡ'ሎ። እቲ ንሰለስተ ዓመት ክጸንሕ ዝተወሰነሉ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ብሲቪላውያን መራሕትን ወተሃደራውያን ኣዘዝቲን ዝቖመ እዩ። ሰራዊት ወሲዱዎ ዘሎ ስጉምቲ፡ ነታ ገና ካብ ቁጠባዊ ቅልውላዉ ዘይወጸት ሃገር ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ከምርሓ ከንዝኽእል፡ ሓደ ካብ ሓለፍቲ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኾነ ኣደም ኣልሒራይካ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንስምምዕ መሰጋገሪ እዋን ከምዘኽብርን እታ ሃገር ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክትሰጋገር ምዃናን ቃል ኣትዩ'ሎ። ብመሰረት መሰጋገሪ ቻርተር ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ሓምለ 2023 ክካየድ'ዩ ተመዲቡ ዘሎ። ዓለምለኻዊ ግብረመልሲ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ነቲ ዕልዋ ብምኹናን \"ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክን ካልኦት ሰበስልጣንን ብህጹጽ ክፍትሑ ኣለዎም\" ክብል ጠሊቡ። \"ነቲ ብኽንደይ ጻዕሪ ዝተረኽበ ፖለቲካዊ ስግግር ንምሕላዉ እቲ ቅዋማዊ ቻርተር ብምሉኡ ክኽበር\" ጸዊዑ። ኣመሪካ ነቲ ብሰራዊት ሱዳን ዝተወስደ ከምዘይትቕበሎ ብምግላጽ፡ ነቲ እትህቦ ሓገዝ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍርቃ ኣፍሊጡ። \"እዚ ነቲ [ኣቐዲሙ ዝተፈረመ] ቅዋማዊ ኣዋጅን ንናይ ህዝቢ ሱዳን ድሌታት ንደሞክራሲ ዝጻረርን ፈጺሙ ዘይቅቡልን'ዩ\" ክብል ኣምባሳደር ፈልትማን ከምዝገለጸ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣፍሪቃ ብትዊተር ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ጠቒሱ። ዞባዊ ውድብ ኢጋድ'ውን ነቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ዕልዋ መንግስቲ ኮኒኑ'ሎ። ዋና ጸሓፊ እቲ ውድብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ \"እቲ ውድብ፡ መሰጋገሪ መንግስቲን ህዝቢ ሱዳንን ሰላምን ደሞክራሲን ንምሕያል ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕርታት ንምድጋፍ ድሉው ኣሎ\" ኢሉ። እቲ ሃለዋቱ ዘይተፈልጠ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ናይዚ እዋን ኣቦመንበር ኢጋድ ምዃኑ ይፍለጥ። ኣብ ምትዕራቕ ክልቲኦም ወገናት ሱዳን ኢድ ዝነበራ ኢትዮጵያ ብወገና፡ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ትከታተሎ ከምዘላ ብምሕባር፡ \"ኩሎም ወገናት ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላዉ ብህድኣት ንምፍታሕ ጻዕርታት ክገብሩ\" ጸዊዓ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ \"ንደሞክራስያዊ ድሌታት ህዝቢ ሱዳን\" ከምእትድግፍን \"ናይ ወጻኢ ኣካላት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ኢዶም ከየእትዉ\" ከምእትደሊን ኣፍሊጣ። ሕብረት ኣውሮጳ፡ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፡ ከምኡ'ውን ብሪጣንያ እትርከበን ሃገራት ኣውሮጳን ነቲ ብሰራዊት ዝተኻየደ ዕልዋ ይኹንና ኣለዋ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59033660"} {"headline":"ሱዳን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ናብ ስልጣኑ ተመሊሱ","content":"ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ብዕልዋ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ትማሊ ናብ ስልጣኑ ተመሊሱ። ኣብ መንበሪ ገዝኡ ኣብ መሓዩር ዝጸንሐ ሓምዶክ ምስ መራሒ እቲ ዕልዋ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ሓድሽ ሓበራዊ ስምምዕ ስልጣን እናተፈራሩሙ ኣብ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ተራእዮም። ቅድሚ ክልተ ዓመት ንዓብደላ ሓምዶክ ቀዳማይ ሚኒስተር ገይሩ ዝሸመ ጉጅለ ስቪል ፖለቲከኛታት ግን ምስ ወተሃደራት ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ስምምዕ ከም ዘይቕበል ኣፍሊጡ። \"መጻኢ ዕጫ ሱዳን መናእሰያት እታ ሃገር'ዮም ዝውስኑዎ\" ክብል ወሃቢ ቃል ሓይልታት ነጻነትን ለውጥን ዝተባህለ ልፍንቲ ሳዲቅ ኣቡ ፋዋዝ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ብሰንኪ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝተላዕለ ተቓውሞን ናዕብን ብዙሓት ሰባት ከምዝሞቱን ገና ይቕጽል ከምዘሎን ይግለጽ ኣሎ። ኣብ ካርቱም ሰራዊት ካብ ፖለቲካ እታ ሃገር ምሉእ ንምሉእ ንክወጽእ ዝሓቱ ሰልፈኛታት ናብ ቤተ መንግስቲ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝኸድሉ እዋን ሓይልታት ጸጥታ መንብዒ ትኪ ከም ዝተኮሱሎም ተገሊጹ። ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ ኣመራርሓ እቲ ስቪላዊ ምምሕዳር ክብተን እንከሎ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ተኣዊጁ ምንባሩ ይፍለጥ። እቲ ዕልዋ ተቓዊሞም ናብ ሰልፊ ካብ ሞንጎ ዝወጽኡ ሰባት ድማ ብውሑድ 40 ተቐቲሎም። ማዕኸን ዜና ሮይተርስ ከም ዝጸብጸቦ ዓብደላ ሓምዶክ \"ደም ሱዳናውያን ክቡር'ዩ፤ ደም ምፍሳስ ጠጠው ኣቢልና መንእሰይ ናብ ህንጸትን ልምዓትን ንምርሓዮ\" ብምባል እቲ ጎንጺ ጠጠው ንክብል ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ሓቢሩ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ካቢንኡን ግን ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ኣብ ስልጣን ከም ዝጸንሑ ኣይተገልጸን። ካብ ሙሁራት፣ ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ዝተወጻጽኡ ኣሸማገልቲ ድማ ነጥብታት እቲ ስምምዕ ዝምልከት መግለጺ ኣውጺኦም ኣለው። እዚ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ክፍጸም እንከሎ ኣብ ቀይዲ ዝኣተው ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክን ኣባላት ካቢንኡን ከም ዝፍትሑን ናብ ቦትኦም ከም ዝምለሱን ይሕብር። ወሲኹ እቲ ሱዳን ናብ ዴሞክራሲ ንምስግጋር ዝቖመ ምምሕዳር ስግግር ሱዳን ናብ ቦትኡ ክምለስ ምዃኑ ገሊጹ። ካብ ወርሒ ነሓሰ 2019 ጀሚሩ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ሱዳንን ስቪላዊ ምምሕዳርን ግጭት ክፍጠር ከም ዝጀመረ ይዝከር። እዚ ንኽልቲኦም ኣካላት ዝሓቖፈ ናይ ስግግር ምምሕዳር ድሕሪ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ምልካዊ ስርዓት ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ምእላዩ ዝቖመ እዩ። ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን እቲ ስቪላዊ ምምሕዳር ብምፍራስ ነቶም ሲቪላዊ መራሕቲ ክኣስሮም እንከሎ ሓያል ናዕብን ተቓውሞን ኣስዒቡ። ንሱ \"ዕልዋ\" ኣይኮነን ብምባል፡ ኣብ ሞንጎ ስቪልን ሓይልታት ጸጥታን ጎነጽ ክልዓል ዝገበሩ ፖለቲካዊ ጉጅለታት ስለ ዝነበሩ ነታ ሃገር ዘስግኣ ኲናት ሓድሕድ ንምክልኻል ዝወሰዶ ስጉምቲ ምዃኑ ክዛረብ ጸኒሑ። ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ኣንጻር እቲ ዕልዋ መንግስቲ ሰልፍታት ተቓውሞ እንተካየዱ፡ መብዛሕትኦም ዜጋታት እታ ሃገር እቲ ናብ ዴሞክራሲ ከሰጋግሮም እምነት ዘሕደርሉ ለውጢ ተጨውዩ ዝብል ስምዒት ሓዲሩዎም'ዩ። ሰራዊት ድማ ነቶም ናዕብታት ንምብታን ስጉምቲ ክወስድ እንከሎ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ተኲሱ ተባሂሉ ይኽሰስ። እቲ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ሓድሽ ስምምዕ ንሎሚ ዓብዪ ሰልፊ ተቓውሞ ክካየድ መደብ ኣብ ዝተትሓዘሉ እዋን እዩ። ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ብምኹናን ኩሎም እሱራት ፖለቲካ ክፍትሑ ክሓትት ጸኒሑ። ኣመሪካን ባንኪ ዓለምን ሱዳን ክትረኽቦ ዝነበረት ሓገዝ ገንዘብ ጠጠው ከብሎ እንከሎ ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ ካብ ኣባልነት ኣጊዱዋ። ኣብ ሱዳን ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ሓድሽ ኣይኮነን። ካብ 2019 ጀሚሩ ድማ ብዙሓት ዝፈሸሉ ፈተነታት ዕልዋ ነይሮም'ዮም።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59364109"} {"headline":"ሱዳን፡ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ንገዛእ ርእሱ ላዕለዋይ መራሒ ሱዳን ገይሩ ሸይሙ","content":"መራሒ ዕልዋ መንግስቲ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን፡ ሓድሽ ቤት ምኽሪ ክረቁሕ እንከሎ፡ ንገዛእ ርእሱ ላዕለዋይ መራሒ ገይሩ ሸይሙ። ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዕልዋ መንግስቲ ከም ዘካየደ ዝዝከር ኮይኑ፡ ትማሊ ሓሙስ ቃለ መሓላ ፈጺሙ። ምክትሉ ንዝነበረ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ሐመቲን ንሓደ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ መራሒን ኣብቲ ቅድሚ እቲ ብ 25 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ዕልዋ ኣብ ዝነበሮም መዝነት ክቕጽሉ መዚዝዎም ኣሎ። እቲ 14 ኣባላት ዘለዎ መሰጋገሪ ቤትምኽሪ ንሲቪላውያን ዝሓወሰ እኳ እንተኾነ ካብቶም ቅድሚ እቲ ዕልዋ ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ሰብ መዚ ኣየካተተን። ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ሚኒስተር ሓበሬታ እታ ሃገር፡ ሓምዛ ባሎል እቲ ሓድሽ ስጉምቲ መቐጸልታ እቲ ዕልዋ እዩ ብምባል፡ \"ህዝቢ ክስዕሮ ከም ዝኽእልን [ንመስርሕ ስልጣን ናብ ሲቪላውያን] ምስግጋር ክቕጽሎ ምዃኑን\" ተዛሪቡ። እቲ ሓድሽ ቤት ምኽሪ፡ ነቲ ዕልዋ ዝኹንን ውሽጣውን ዓለምለኻውን ጸቕጢ ሓይሉ ኣብ ዝርከበሉ ሰዓት እዩ ተኣዊጁ። በይነኣዊ ሽመት እቲ ወተሃደራዊ ኣዛዚ፡ ነታ ሃገር ናብ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ንምምላስ ንዝግበር ጻዕሪ ዘኽብድ ምዃኑ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ቮከር ፐርተስ ገሊጹ። ንሱ ወሲኹ፡ ቅልጡፍ ዘተ ተኻይዱ ፖለቲካውን ቁጠባውን ህይወት ናብ ንቡር ዝመልስ መፍትሒ ክናደ ጸዊዑ። እቲ ሰራዊት፡ \"ንቀደማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ናብ ስልጣን ምምላስ ዝርከብዎም ምትእምማን ዝፈጥሩ ስጉምትታት ክወስድ\" እውን ኣተሓሳሲቡ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59257961"} {"headline":"ሱዳን፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ሱዳን ወተሃደራዊ ሓይሊ ስልጣን ምሓዙ ኮኒኑ","content":"ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ እቲ ኣብ ሱዳን ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ብቅልጡፍ ሲቪላዊ መንግስቲ ከቑምን ተኣሲሮም ዘለዉ ፖሎቲከኛታት ክፍትሑን ተማሕጺኑ። ጆ ባይደን፡ ነቲ ብሰኑይ ብጀነራል ዓበደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ብምቅዋም ናብ ጽርግያ ኣብ ዘወጽኡ ሰልፈኛታት ጎነጻዊ ሓይሊ ምጥቃም ደው ክብል’ውን ብትሪ ጸዊዑ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ናብ ወተሃደራውያን ሰብመዚ ሱዳን እነሕልፎ መልእኽቲ ብሩህ’ዩ፡ ህዝቢ ሱዳን ብሰላማዊ መንገዲ ተቓውምኡ ከስምዕ ክፍቀዶ ኣለዎ፡ እቲ ሲቪላውያን መራሕቲ ዝርከብዎ ኣብ ስልጣን ዝነበረ መንግስቲ ኸኣ ናብ ቦትኡ ክምለስ ኣለዉ” ኢሉ። ኣቐድም ኣቢሎም ዓረብ ሊግ፡ ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት ዓለምለኻውያን ማሕበራትን ውድባትን ነቲ ንሰኑይ ኣብ ሱዳን ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ምኹናኖም ዝዝከር ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን’ውን ተጸንቢርዎም ኣሎ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ መግለጺኡ ነቲ ኣብ ሱዳን ዝተበገሰ ህዝባዊ ሰውራ ኣብ መዓልብኡ ንምብጻሕ ኣብ ጎኒ እቲ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ ህዝቢ ሱዳን ከምዝኸውን ነሊጹ። ብመሰረት ካብ ሱዳን ዝተረኸበ ሕክምናዊ ጸብጻባት ኣብቲ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝቖሰሉን ቁጽሪ ምውታት 11 ከምዝበጽሕን ይግለጽ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59087696"} {"headline":"ሱዳን፡ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን መስርሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ከቀላጥፎ ምዃኑ ቃል ኣትዩ","content":"ኣብ ሱዳን ብመሪሕነት ዕልዋ መንግስቲ ዘካየደ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ምስ ሕቡራት ሃገራትን ምስ ኣመሪካን ድሕሪ ምዝርራብ ንመስርሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ከቀላጥፎ ምዃኑ ቃል ኣትዩ። ፍሉይ ልኡክ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ቮከር ፐርተስ እቲ ምስ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝተኻየደ ዘተ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ናብ ንቡር ዝመልስን ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝተኻየደሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓበደላ ሓምዶክ ዳግም ናብ ቦትኡ ከምልስ ዝኽእል ተስፋታት ከም ዘሎን ገሊጹ። ቀዳማይ ሚኒስተር ዓበደላ ሓምዶክ ኣርባዕተ ካብቶም ተሓይሮም ዝነበሩ ሚኒሰትራቱ'ኳ እንተተፈትሑ ንሱ ግን ክሳብ ሕጂ ናይ ገዛ ሕዩር እዩ ዘሎ። ነቲ ንኣስታተ 30 ዓመታት ንሱዳን ዝመርሓ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ካብ ስልጣን ዝዓለወ ውሁድ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ኣንጻር እቲ ንዓብደላ ሓምዶክ ብዕልዋ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ኣልዩ ንመሪሕነት ተረቢቡ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝዓለመ ሰንበትን ሰኑይን ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ጸዊዑ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59173869"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብታ ርግኣት ስኢና ዘላ ትግራይ እንታይ’ዩ ዘጋጥም ዘሎ? ስለምንታይከ የገድስ?","content":"ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ብቁጠባዊ ዕብየትን ምትካል ዲሞክራስያዊ መንግስትን ብዝኣመሰሉ ጽቡቓት ኣርእስታት'ያ ትልዓል ነይራ። ሕጂ ግን ነቲ ካልእ ድሒሩ ዝልዓል ኣርእስቲ ገዲፍና ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለምና ዝደኸያ ሃገር ኮይና ኣላ። ኢትዮጵያ ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት፡ ብሰብኣዊ ቅልውላው ተሓሚሳ ትርከብ። ካብ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ዝተረኸበ ሓበሬታ ከምዘረድኦ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወለዐ ኵናት ኣሽሓት ሰባት ተቐቲሎም፡ ሚልዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም፡ ኣማኢት ኣሽሓት ኸኣ ንሓደጋ ዓጸቦ ተቓሊዖም ኣለዉ። ኣብታ ሃገር ዘሎ ሓዲሽ ምዕባለታት ምስ እንድህስስ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ትግረይ ካብ ኣዲስ ኣበባ 400 ኪሎሜትሮ ርሒቐን ዝርከባ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ምስ ሓዙ ኩሎም ዜጋታቱ፡ 'ንህወሓት ንምምካት ዝኾነ ዓይነት ዕጥቅን ዓቕምን ሒዙ ክኸትት\" ድሕሪ ምጽዋዕ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ኣብ መላእ እታ ሃገር ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ኣዊጁ። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኣብታ ሃገርን ኣብ ጎረባብታን ዘየማትእ ጽለዋ ክህልዎ ከምዝኽእል እዩ ዝግመት። እስኪ እታ ሃገር ከመይ ኢላ ናብዚ ኵናት ከምዘምረሐት ለላህመቱ ንርኣዮ። እቲ ኵናት 4 ሕዳር 2020 እዩ ጀሚሩ። ናብ 4 ሕዳር ኣብ ዘውግሕ ለይቲ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፌዴራል መጥቃዕቲ ምስ ከፈቱ፡ ዕዉት ሽልማት ኖቤል ሰላም 2019 ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ 'ወፍሪ ምኽባር ሕጊ' ዝሰመዮ ኵናት ኣዊጁ። ሰራዊት ፌዴራል ኣብ መጀመርታ፡ ነቲ ኵናት ብዓብላልነት ብምስዓር 28 ሕዳር ንርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ ተቖጻጺሮማ። ኣብ በረኻታት ኣድብዮም ዝጸንሑ ሓይልታት ትግራይ ግን ኣብ ወርሒ ሰነ ዳግማይ ብምትንሳእ 28 ሰነ ንከተማ መቐለን ካልኦት ከተማታት ትግራይን ክቆጻጸርወን ክኢሎም። ሕጂ ኸኣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ገጾም ይግስግሱ ምህላዎም ይግለጽ ኣሎ። ማእከላይ መንግስቲ፡ ዝኾና ማዕከናት ዜናታት ናብ ትግራይ ከይኣትዋ ከልኪሉ'ሎ፡ እንተኾነ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሓበሮ ዝበዝሐ ካብቲ 7 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ተጸባዪ ህጹጽ ሰብዊ ሓገዝ ክኸውን እንከሎ፡ ብውሕዱ 400,000 ኸኣ ሓደጋ ዓጸቦ ኣንጸላልይዎ ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ነዚ ጸብጻብ እዚ ነጺግዎ'ዩ። ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዝተሳተፉ ኩሎም ወገናት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ቅትለትን ከምዝፈጸሙ ይግለጽ እዩ።. 3 ጥቅምቲ 2021፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ብጽምዶ ኣብ ዘውጽእዎ ውጽኢት መርመራ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ቅትለት፡ ምስቓይ፡ ጾታዊ ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ተመዛበልትን መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ገሊጾም። እዚ ጸብጻብ፡ ኣብቲ ክልል ገበናት ኵናት ተፈጺሙ ክኸውን ከምዝኽል ዘርኢ እዩ። ኣብ ትግራይ ወጥርን ኵናትን ከጋጥም እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን። ካብቲ 115 ሚልዮን ዝግመት ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ እቲ ኣስታት 7 ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ካብ ክልል ትግራይ እዩ። ካብ ትግራይ ወጻኢ ድማ ኣስታት 3 ሚልዮን ተወላዲ ከምዝርከብ መረዳእታት ይሕብሩ። ህዝቢ ትግራይ ንኦሮሞን ንኣምሓራን ተኸቲሉ ብብዝሒ ህዝቢ ኣብ ሳልሳይ ደራጃ እዩ ዝስራዕ። ሃገረ ኢትዮጵያ ኣብ 10 ክልላት ዝተኸፋፈለት ኮይና፡ እተን ክልላት ብፌዴራል እናተማእከላ ሓውሲ ነጻ ኮነን እየን ዝመሓደራ። ቅድሚ ሃጸይ ሃይለስላሰ ብዕልዋ መንግስቲ ኣብ 1974 ምእላዩን ኣብ እዋን ደርግን ህዝቢ ትግራይ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ዘኮራሪ ብዙሕ ነገራት'ዩ ኣጋጢምዎ። ኣብ ትግራይ ካብ 1983 ክሳብ 1985 ብዘጋጠመ ብርቱዕ ዓጸቦ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰብ ክሞውት እንከሎ ልዕሊ 2 ሚልዮን ኸኣ ካብ ቤት ንብረቱ ተመዛቢሉ። ድሕሪ ውድቀት ደርጊ፡ ትግራይ ብተዛማዲ ንዓመታት ሰላም ሰፊንዋ ድሕሪ ምጽናሕ ኸኣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ፌዴራልን ኵናት ተወሊዑ። እንተኾነ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኵናት ንትግራይ ጥራይ ኣይሸልበባን፡ ንኻልኦት ክልላት'ውን ጸልይወን እዩ። ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ተለቪዥን ፋና፡ ካብተን 10 ክልላት እታ ሃገር፡ መንግስታት ናይተን 4 ክልላት ህዝቦም ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ንኽዋግኡ ድሉው ክኸውን ጻውዒት ከምዘቕረቡ ገሊጻ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ እቲ ኣብ ክልል ኦሮሞ ኮይኑ ቃልሲ ዘካይድ ዕጡቕ ጉጅል ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ (OLA)፡ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ጥምረት ከምዝገበረ ብወግዒ ገሊጹ። ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡ ንናጽነት ህዝቢ ኦሮሞ ኢና ንቓለስ ዝብሉ ኮይኖም፡ መንግስቲ ኦነግ ሸኔ ኢሉ እዩ ዝጽውዖም፡ ልክዕ ከም ህወሓት ኸኣ ኣብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ኣስፊርዎም'ዩ። ህወሓት ንደርጊ ንምእላይ ኣብ ዝተገበረ ኵናት ምስቶም ኣንጻር ደርጊ ዝቃለሱ ዝነበሩ ሓይልታት ኢትዮጵያ ልፍንቲ ፈጢሩ። ኣብ 1991 ኸኣ ስርዓት ደርጊ ተሳዒሩ። ህወሓት ኣብ ኢትዮጵያ ንዝነበረ ፖሊቲካ ንዓሰርተታት ዓመታት ብዓብላልነት እዩ ዝመርሖ ነይሩ። ኣብቲ ህወሓት ብዓብላልነት ዝመርሓሉ ዝነበረ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጸቃጢን ተቃውሞ ዘይጻወርን ምንባሩ እዩ ዝኽሰስ። ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2019 ናብ ስልጣን ክሳብ ዝመጽእን ነቲ ዝነበረ ጥምረት ኢህወደግ ብምፍራስ ሓደ ስልፊ ክሳብ ዝምስርትን ኸኣ ነገራት ብተዛማዲ ህዱእ'ዩ ነይሩ። ህወሓት ነቲ ብኣብዪ ኣሕመድ ዝተነድፈን ዝተመስረትን ሓደ ስልፊ ኣካሉ ክኸውን ፍቓደኛ ክኸውን ኣይከኣለን። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ክካየድ ዝነበሮ ምርጫ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስ ተናወሐ፡ ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ህወሓት፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ብማእከላይ መንግስቲ ተቐባልነት ዝተነፍጎ በይንኣዊ ምርጫ ብምካያድ ንኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ እዋኑ ምርጫ ስለዘየካየድ ኣፍልጦ ነፊገሞ። እቲ ወጥሪ እናተጋደደ ከይዱ ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ። ድሕሪ ክልተ ወርሒ ምርጫ ናይ ክልል ትግራይ ኸኣ ሓይልታት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግረይ ዓሪዱ ዝነበረ ሰሜናዊ እዚ ብለይቲ መጥቃዕቲ ከፊቶም። ከም ግብረ መልሲ፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ 'ወፍሪ ምኽባር ሕጊ' ዝበሎ መጥቃዕቲ ክካየድ ኣዊጁ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ 18 ጥቅምቲ ነቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ኣብ መጀመርታ'ኳ እንተኸሓዶ ድሕሪ ሰዓታት ግን ባዕሉ ከምዝፈጸሞ ተኣሚኑ። እቲ ኣብ ትግራይ ዝጀመረን ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝልሓመ ኵናት ንኢትዮጵያ ጥራይ ኣይኮነን ጸልይዋ፡ ጽልውኡ ናብ ዝተፈላለየ ክፋላት እታ ሃገር ብምልሓም ኣሽሓት ዜጋታት እታ ሃገር ናብ ሱዳን ንኽስደዱ ኣገዲድዎም'ዩ። ሰራዊት ህወሓት ናብ ርእሰ ከተማ ኤርትራ ዝኾነት ከተማ ኣስመራ ክልተ ግዜ ሚሳኤላት ቶኩሶም። ሰራዊት ኤርትራ'ውን ኣብቲ ኣብ ናይ ትግራይ ኵናት ኢዶም ሓዊሶም፡ ኣብታ ክልል ግፍዕታት ከምዝፈጸሙ'ውን ይኽሰሱ'ዮም። ሰራዊት ኤርትራ ሕጂኸ ኣብ ክልል ትግራይ ኣሎ ድዩ ዝብል ሕቶ ንጹር ኣይኮነን፡ እንተኾነ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ንሮይተርስ ከምዝሓበርዎ ሰራዊት ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዘሎ'ዮም ዝገልጹ። እቲ ካልእ ስክፍታ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያቱ ከተኩር ነቲ ኣብ ሶማል ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ዝገብሮ ዝነበረ ወፍርታት ከየወንዝፎ'ዩ። እዚ ምስ ዝኸውን እቲ ኵናት ካብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ ናብ ሃገራት ምብራቅ ኣፍሪቃ ጽልዋ ምፍጣሩ ዘይተርፍ ይመስል። ተንታኒ ፖሎቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ራሺድ ዓብዲ፡ እቲ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ንኢትዮጵያ ከዳኽማ ከምዝኽእል እዩ ዝገልጽ፡ እዚ ኸኣ ኣብ መላእ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሳዕቤን ከምዝህልዎ ራሺድ ይትንትን። እቲ ዘሎ ቅልውላው፡ ካልኦት ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ብሄር ብሄረሰባት ኣንጻር መንግስቲ ከምዝልዓሉ ክገብሮም ከምዝኽእል ራሺድ ይገልጽ። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ \"ርግኣት ኢትዮጵያ ንመላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ\" ብምባል ዘይርግኣት ኢትዮጵያ ድማ ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓደገኛ ምዃኑ ኣረዲኡ። ጉተረዝ ኣቐድም ኣቢሉ \"ኣብ መላእ ሃገር ሰላምን ርግኣትን ንምስፋንን ነዚ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕን\" ሃገራዊ ዘተ ክግብር ጸዊዑ ነይሩ'ዩ። ውሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ብክልተ ሕዳር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ'ውን \"ርግኣት ኢትዮጵያ ንመላእ እቲ ዞባን ኣገዳሲ'ዩ\" ብምባል፡ ኩሎም ተጻባእቲ ሓይልታት ተኵሲ ደው ከብሉን ናብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ዕንቅፋት ንኽባጻሕ ባይታ ክጣጣሕን ጸዊዑ። መንግስቲ ኣመሪካ ናብ ሓይልታት ትግራይ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ብምስዳድ ናብ ኣዲስ ኣበባ ገጾም መጥቃዕቲ ከይፍጽሙ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ። ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፌልትማን \"ህወሓት ንኣዲስ ኣበባ ንምሓዝ ኮነ ንምኽባብ ዝገብርዎ ዝኾነ ዓይነት ፈተነ ንቃወሞ ኢና\" ኢሉ። ብኣንጻሩ ብ2 ሕዳር ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንኢትዮጵያ ካብቲ African Growth and Opportunity Act (AGOA) ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ሃገራት ብዘይ ቀረጽ ምህርተን ናብ ኣመሪካ ከእትዋ ዘፍቅድ ሓለፋ ከምዝኣለያ ገሊጹ። ጆ ባይድን፡ ነተን ዕልዋ መንግስቲ ዝተኻየደለን ሃገራት ጊኒን ማሊን'ውን ካብቲ ሓለፋ ከምዝኣለየን ገሊጹ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን እቲ ውሳነ ካብ 1 ጥሪ 2022 ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኸውን'ውን ጠቂሱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ንዲፕሎማስያዊ ዘተ ተሓሲሙ'ዩ ዘሎ፡ ብኣንጻሩ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ እቲ ኵናት ናይ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ጉዳይ ምዃኑን ኢትዮጵያ ባዕላ ከምእትፈትሖን'ዩ ብተደጋገሚ ገሊጹ። 3 ሕዳር መበል ሓደ ዓመት ምጅማር እቲ ኵናት ኣመልኪቱ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእክቲ፡ ንጻላእቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ \"ብደምና ክንቀብሮም ኢና\" ኢሉ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59160170"} {"headline":"መራሒ ዕልዋ ሱዳን ኢንተርነት ዳግም ንምኽፋት ቅድመ ኩነት ኣቐሚጡ","content":"ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን እቲ ኣብታ ሃገር ተቋሪጹ ዘሎ ኣገልግሎት ኢንተርነት \"መራኸቢ ብዙሓን ሓቂ ይጽብጽቡ ምህላዎም ምስ ኣረጋገጽና በብቕሩብ ክንከፍቶ ኢና\" ኢሉ። እዚ ድሕሪ እቲ ኣብ 25 ጥቅምቲ 2021 ዝተፈጸመ ወተሃደራዊ ዕልዋ ስግኣት ነጻነት ሚድያን ሓበሬታን ክቕጽል ምዃኑ ከም ዘአንፍት ተንተንቲ ይዛረቡ። ንነጻነት ኢንተርነት ዝከታተል ዓለምለኻዊ ትካል ኔትብሎክስ፡ ኣብታ ሃገር ኣገልግሎት ኢንተርነት ድሕሪ እቲ ዕልዋ ምስ ተቋረጸ ጌና ዳግም ከም ዘይጀመረ ብረቡዕ ገሊጹ። መራኸቢ ብዙሓን ውሽጢ ሃገር፡ ብዛዕባ ህልው ምዕባለታትን ናይ ተቓውሞ ሰልፍታትን ዘቕርብዎ ጸብጻባት'ውን ድሩት እዩ ዘሎ። መንግስታዊ መደበር ቴለቪዥን ብቐንዱ ንመልእኽቲ ጀነራል ቡርሃን ምስ ሓርበኛውን ባህላውን ሙዚቃታት ብምውህሃድ ክተቕርብ እንከላ፡ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሱና ድሕሪ 24 ጥቅምቲ ሓድሽ ትሕዝቶ ኣይተለጠፎን። ብሚኒስትሪ ዜናን ባህልን ዝካየድ፡ ነቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝድግፍ ናይ ፌስቡክ ገጽ፡ ንጀነራል ቡርሃን ዝጻረርን ህዝባዊ ተቓውሞ ክቕጽልን ዝጽውዕ ትሕዝቶታት ክልጥፍ ጸኒሑ ኣሎ። ኣብዚ እዋን ኣብ ገዝኡ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝርከብ ዓብደላ ሓምዶክ ንሓጺር እዋን ድሕሪ ምእሳሩ ኣብ ገዛ ቡርሃን ተቐዪዱ ምንባሩ ይዝከር። እቲ ኣብ ምዕላው ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፡ መሪሕ ተራ ዝነበሮ ማሕበር ሞያውያን ሱዳን (ኤስፒኤ) ኣብ ናይ ትዊተርን ፌስቡክን ገጻቱ ናይ ሰላማዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ተቓውሞን ክጉስጉስ ጸኒሑ ኣሎ። ብዘይካ'ዚ ብዓሰርተታት ዝቑጸር ስእልታትን ቪድዮን ሰልፈኛታት ኣብ ካርቱም ይልጥፍ ኣሎ። ንቐዳም ዓብዪ ሰላማዊ ሰልፊ ተወጢኑ ምህላው'ውን ይግለጽ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59052901"} {"headline":"መተሃላልኽቲ ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ሱዳን ናብ ጎደናታት ካርቱም ወጺኦም","content":"ወተሃደራዊ መንግስቲ ዝጠልቡ ሰልፈኛታት ንመዓልታት ኣብ ጎደናታት ካርቱም ሰላማዊ ሰልፊ ይቕጽሉ ኣብ ዝርከቡሉ እዋን ነቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝድግፉ ሰልፈኛታት ናብ ጎደናታት ወጺኦም። ኣብ መንጎ ሰራዊትን ሲቪላውያንን መራሕቲ ዘሎ ዓᎁቕ ፍልልይ፡ እታ ሃገር ናብ ዴሞክራሲ እትገብሮ ምስግጋር ከየተዓናቕፎ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ። እቲ ንነዊሕ ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሐ ፕረዚደንት ኣልበሽር ብህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ 2019 ካብ ስልጣን ምስ ተኣለየ እዩ ብወተሃደራውያንን ሲቪላውያንን ዝምራሕ መንግስቲ ቆይሙ። ኣብ ወርሒ መስከረም፡ ብሰዓብቲ ኣልበሽር ከም ዝተፈጸመ ዝግለጽ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ድሕሪ ምክያዱ ግና ወጥሪ ዓሪጉ ኣሎ። እቲ ምክፍፋል ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ምእላይ ኣልበሽር ዓቢይ ተራ ዝነበሮ ጥምረት ሓይልታት ንነጻነትን ለውጥን ኣፈላላይ ፈጢሩ ይርከብ። ብሓሙስ፡ ደገፍቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ዝኾኑ ሰልፈኛታት ባንዴራታት እታ ሃገር እናምበልበሉ ጎማታት ምስ ኣቃጸሉ ሓይልታት ጸጥታ ዘንብዕ ጋዝ ከም ዝተኮሱሎም ተፈሊጡ። ደገፍቲ እቲ ሰራዊት ዝኾኑ ሰልፈኛታት እቲ ሲቪላዊ መንግስቲ፡ ንቁጠባ እታ ሃገር ከበራብር ከም ዘይከኣለን ሕጽረት ሕብስቲ ይውስኽ ምህላው ብምጥቃስ፡ ክበተን ይጠልቡ። ካልእ ጉጅለ ኣብ ወደባዊት ከተማ ፖርት ሱዳን ዕግታ ብምፍጻሙ ነቲ ኩነታት ኣበኣኢስዎ ኣሎ። ብቐዳም ደገፍቲ እቲ ሰራዊት ዝኾኑ ሰልፈኛታት፡ ኣቦ መንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ኣብዱል ፋታሕ ኣልቡርሃን ዕልዋ ብምፍጻም ነታ ሃገር ከቆጻጸራ ክጭርሑ ተሰሚዖም። ገለ ካብኣቶም ኣብ ጎደናታት ካርቱም ተቓውሞኦም ጌና ቀጺሎም ኣለው። ብሓሙስ ከኣ \"ምርጫ ህዝቢ ሲቪላዊ እዩ\" ዝብል ጭርሖታት ዝሓዙ ሰልፈኛታት ኣብ ጎደናታት ከም ዝተርኣዩን \"ኣልቡርሃን ስልጣን ኣረክብ\" ይብሉ ምንባሮምን ኤኤፍፒ ጸብጺቡ። ብመሰረት እቲ ተወጢኑ ዝጸንሐ ደሞክራስያዊ ምስግጋር፡ መሪሕነት እቲ ልኡላዊ ቤትምኽሪ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ናብ ሲቪላውያን ክሰጋገር ትጽቢት ይግበር። ሃገራት ምዕራብ ነቲ ሲቪላዊ መንግስቲ ዘለወን ድጋፍ ክገልጻ እንከለዋ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኩሎም ወገናት ነቲ ዝተሰማምዑሉ፡ ደሞክራስያዊ ምስግጋር ስልጣን ከኽብሩ ጸዊዑ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን፡ ዓብደላ ሓምዶክ፡ እታ ሃገር ዛጊት ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ናይ ስግግር ዓመታት ካብ ዝገጠማ \"ዝኸፍአን እቲ ሓደገኛን\" ንዝበሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው መፍትሒ ዝበሎ ውጥን ገሊጹ እዩ። \"ኣብዚ ግጭት ኣነ ዘይሻራዊ ወይ መንጎኛ ኣይኮንኩን። ንጹርን ዘይንቕነቕን መርገጺየይ፡ ናብ ሲቪላዊ ደሞክራስያዊ ምስግጋር እዩ\" ኢሉ። እቲ ን30 ዓመታት ንሱዳን ዝመርሐ ኣልበሽር ብሓያል ህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ ሚያዝያ 2019 ካብ ስልጣን ምስ ተኣለየ እዩ ሓምዶክ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ቃለ መሓላ ፈጺሙ። ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ግና፡ እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ ዝምራሕ ቁጠባዊ ዕረያ፡ ንድጎማ ነዳዲ ድሕሪ ምእላዩን ዝቕባበ ምዕራጉን፡ እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝነበሮ ድጋፍ ታሕቲ ወሪዱ ኣሎ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59006977"} {"headline":"ሱዳን፡ ኣንጻር ዕልዋ መንግስቲ ዝካየድ ሰለማዊ ሰልፊ ይቅጽል ኣሎ","content":"ነቲ ኣብ ሱደን ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ዝቃወሙ ሱዳናውያን፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ንዝርከብ ዓበይቲ ጎደናታት ብኣእማን ብምሕጻር ተቓውምኦም የስምዑ ኣለዉ። ኣብቲ ብቀዳም ዝነበረ ሰለማዊ ተቓውሞ፡ ኣካላት ጸጥታ ኣብ ከባቢ ከተማ ኡንዱርማን ንዝነበሩ ሰልፈኛታት ንምብታን ብዝተኾስዎ መንብዒ ጋዝ ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐተሉ ካብ ኣብያተ ሕክምና ሱዳን ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት። ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ናብ ሰልፈኛታት ዝኾነ ጥይት ከምዘይተተኮሰ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ንቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክን ገለ ሲቪላውያን ሚኒስተራትን ኣብ ቀይዲ ብምእታው ዕልዋ መንግስቲ ከምዝገበሩ ይዝከር። ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ቮከር ፓርተስ፡ ብሰንበት ንዓብደላ ሓምዶክ ናብ መንበሩ ቤቱ ብምኻድ ኣዘራሪብዎ። ቮከር ፓርተስ፡ ዓበደላ ሓምዶክ ጽቡቕ ከምዘሎ ብምሕባር ክሳብ ሕጂ ናይ ገዛ ሕዩር ኮይኑ ከምዘሎ ንማዕከናት ዜና ገሊጹ። ቮከር ፓርተስ ብምስዓብ \"ብዛዕባ ተኽእሎታት ዕርቕን መጸኢ ዕድል ሱዳንን ተመያይጥና ኣለና\" ክብል'ውን ተዛሪቡ። ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ብመሪሕነት ዘካየዶ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ድሕሪ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ብሰኑይ ንኹሉ ሲቪላዊ ምሕደራ ከምዘደስከሎ ምግላጹ ይዝከር። እቲ ጀነራል ኣብ ሱዳን ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ብምድንጋግ፡ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ንሱዳን ካብ ኵናት ሓድሕድ ንምድሓን ኢሉ ዝተገበረ ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፡ ካብ ብዙሓት መንግስታትን ዓለምለኻውያን ትካላትን ሓያል ኩነኔ ኣጋጢምዎ ይርከብ። እቲ ብቀዳም ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ እቲ ዝሓየለን ዝበዝሐ ሰብ ዝተሳተፈሉን እዩ ነይሩ። እቶም ባንዴራ ሱዳን ዝሓዙ ሰልፈኛታት \"ኣይፋል ንወተሃደራዊ ምሕደራ\" ብምባል ክጭድሩ ተሰሚዖም። ኣባል ኮሚተ ተቓውሞ ሱዳን ዝኾነ ሻሀን ኣል ሻሂፍ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ \"እዚ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ዋል ጥይት እናተተኮሰና ብዘይጎነጽ ክንቅጽሎ ኢና\" ኢሉ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ኣካላት ጸጥታ ብዝተፈጠረ ጎንጺ፡ 10 ካብቶም ሰለማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰባት ከምዝተቐተሉ ዝዝከር እዩ። እቲ ዕልዋ ዘካየደ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ኢንተርኔትን መስመራት መራኸቢታትን ዓጽዩዎም'ዩ ዘሎ። ን30 ዓመታት ንሱዳን ዝመርሓ ዑመር ኣልበሽር ኣብ 2019 ካብ ስልጣን ምስ ተኣለየ፡ ክሳብ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ፡ ስልጣን ኣብ ሞንጎ ሲቪላውያንን ወተሃደራውያን ሓይልን ብምምርቓሕ'ዩ ክካየድ ጸኒሑ። ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ኣብ 2023 ብምርጫ ንዝተዓወተ መንግስቲ ስልጣን ከረክብ ምዃኑ'ዩ ገሊጹ ዘሎ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59115826"} {"headline":"ሱዳን፡ ብዛዕባ ዕልዋ መንግስቲ ሱዳን ክትፈልጥዎ እትደልዩ ብሓጺር","content":"እታ ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣባላት ካበኒኡን ዝተኣሰሩላን ዕልዋ መንግስቲ ዝተፈጸመላን ሱዳን ከም ኩሎም እቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተኻዱ ዕልዋ መንግስታት እታ ሃገር፡ ኣብ መዝገብ ታሪኽ እታ ሃገር ክሰፍር እዩ። እታ ብፖለቲካዊ ቅልውላው ክትህመስ ዝጽንሐት ሱዳን፡ ቁጠባኣ ባይታ ዘቢጡ፡ ዋጋ ሃለኽቲ ንሂሩ፣ ሕጸረት ምግቢ፣ መድሃኒትን ነዳድን ድማ ኣሎ። እቲ ዕልዋ ነቶም ኣብ ቀረባ እዋን ምስታ ሃገር ጽቡቕ ርክብ ክምስርቱ ጀሚሮም ዝነበሩ ሓያላት መንግስታ'ውን ዘሰንበደ ክስተት እዩ። ንምኳኑ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ? ንነዊሕ እዋን ንሱዳን ጨቊኑ ዝገዝኣ ምሕደራ ፕረዚደንት ነበር ዖማር ኣልባሺር፡ ካብ ስልጣን ምስ ተኣለየ፡ ኣብ 2019 ኣብ መንጎ ወተሃደራውን ሲቪላውን መራሕቲ ናይ ስልጣን ምምርቓሕ ስምምዕ ተገይሩ። ፕረዚደንት በሺር ብወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ'ኳ እንተተኣለየ፡ ህዝቢ ሲቪላዊ ምሕደራ እዩ ዝጠልብ ነይሩ። ስለዝኾነ ድማ፡ እቲ ሰራዊት ዲሞክራስያዊ መንግስት ንምፍጣር ምስ ሲቪላዊ መራሕቲ ናብ ድርድር ክኣቱ ተገዲዱ። ሕዚ እታ ሃገር እቲ ሽዑ ዝተመስረተ 'ልኡላዊ ቤት ምኽሪ' ብዝብል ዝፍለጥ ኣካል እዩ ክመርሓ ትጽቢት ዝግበረሉ ነይሩ። እንተኾነ ክልቲኦም ኣካላት ብግልጺ ኣብ ወጥሪ ኣትዮም እዮም ጸኒሖም። ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኣባላት እቲ ሓበራዊ ልኣላዊ ቤት መኽሪ፡ እቶም ሲቪላዊ መራሕቲ ምምሕያሽ ክገብሩን ሓደሽቲ ኣባላት ከምጽኡን ይሓትዎም ነይሮም። እዚ እቲ ወተሃደራዊ ክፍሊ፡ ስልጣኑ ንምጥንካር ኮነ ተባሂሉ ዝተኣልመ ተገይሩ ስለዝተወስደ፡ በቶም ሲቪል መራሕቲ ተነጺጉ። ርግጽ፡ ካብ 2019 ጀሚሩ ብተደጋጋሚ ብዙሕ ፈተነ ዕልዋታት ፈሺሉ እዩ። ካብኣቶም እቲ ሓደ ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተፈተነ እዩ ነይሩ። እቲ ዝዓበየ ሲቪላዊ መራሒ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ፡ ኣብ ሓይልታት ጸጥታ ተሰግሲጎም ኣለዉ ዝበሃሉ ደገፍቲ ፕረዚደንት ቤሺር እዩ ተሓተትቲ ገይሩ። ካብኡ ድማ፤ ንወተሃደራዊ ክፍሊ እቲ መንግስቲ ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻይዶም፤ ብኣንጻሩ ነዚ ዝጻብኡ ድማ፡ ደገፍቲ'ቲ ቀዳማይ ሚነስተር ሰልፊ ድጋፍ ወጺኦም። እቶም ነቲ ወተሃደራዊ ከፍሊ ደጊፎም ሰልፊ ዝወጽኡ፤ እቲ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ሓበራዊ መንግስቲ ነታ ሃገር ካብቲ ኣትያቶ ዝጸንሐት መዓሙቕ ከውጸአ ኣይከኣለን ኢሎም እዮም ዝኸስዎ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ነዳድን ካልእን ብዝተኣሳሰር ዘምጸኦም ቁጠባዊ ምምሕያሻት ብዙሕ ኣይተፈተውሉን። ፖለቲካ ሱዳን ካብ ቀደሙ፤ ሕምትልትል ዝበለ እዩ። ማግዲ ዓብደልሓዲ ዝተብሃለ ተንታኒ ምብራቅ ኣፍሪቃ፡ ከምዝበሎ፡ ኣብ ሱዳን ቅድም ክብል ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባት ተቐራሪብካ ምስራሕ ንቡር ኮይኑ ንዘይምጽንሑ፡ ነዚ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ በሪ ከፊቱ እዩ። ኣብዚ እዋን ኣብ ሱዳን ልዕሊ 180 ውድባት ፖለቲካ ኣለዋ። እዚ ምክፍፋል ድማ፡ ኣብቲ ልኡላዊ ቤት ምክሪ'ውን ተስተውዒሉ። ኣብ መንጎ ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ሲቪላዊ መራሕትን ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ፡ ሕዚ'ውን ፖለቲካዊ ስምምዕ ምፍጣር ገና ርሑቕ ምዃና ዘመልእክት እዩ። ሕዚ እንታይ እዩ ዝኸውን ዘሎ? ብሰኑይ፡ ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ተለቪዥን እታ ሃገር ብምውጻእ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ ሲቪላውያን መራሕቲ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ውሽጣዊ ቁርቁስ ነቲ ዕልዋ ከካይዱ ከምዝተገደዱ ተዛሪቡ ነይሩ። ሰራዊት ሱዳን፡ ንመሰጋገሪ መንግስቲ'ታ ሃገር ብምፍራስ: ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ ንዝርከቦም ሲቪላውያን መራሕቲ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ብምእታው ነቲ ቤት ምክሪ ብምፍራስን ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ኣሎ። ንሱ፡ ኣብ 2023 መረጻ ክካየድ እዩ'ውን ኢሉ ኣሎ። እቶም ዕጡቓት ናብ መንበሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ብምእታው ንዓብደላ ሓምዶክን ንኣማኻሪኡን ብሰኑይ ከም ዝኣሰርዎም እዩ ዝንገር። እቲ ሰራዊት ንመንግስታዊ መደበር ቴቪዥንን ሬድዮን ድማ ተቖጻጺሩ ከምዝኾነ የመልክት። ኣብ መላእ ሃገር ኢንተርኔት ተቛሪጹ ኣሎ። ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣውሮጳ ከምኡ'ውን ኣመሪካ ነቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ዕልዋ መንግስቲ ኮኒኖም ኣለዉ። ተንታኒ ፖለቲካ ኣፍሪቃ ኣሌኬስ ዲ ዋል፡ ኣብ ሱዳን ዘሎ ናይ ምውዳብ ባህሊ ኣብ ግምት እንትኣቱ፡ ገና እቲ ዕልዋ መንግስቲ ተወዲኡ ምባል ኣይከኣልን ይብል። እቲ ሰራዊት መስመሩ ክሓልፍ እንተሎ፤ እቲ ህዝቢ ግልብጥ ኢሉ ናብ ጎደና እዩ ዝወጽእ፤ ሕዚ ንሪኦ ዘለና ድማ ከምኡ እዩ- ክብል ንቢቢሲ ኒውስ ሃወር ተዛሪቡ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ዝካየድ ዘሎ ዕልዋ መንግስቲ ብምቅዋም፡ ህዝቢ ወጺኡ ነቲ ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ዝግበር ስግግር መስርሕ ክጣበቕን ወጺኡ ተቓውምኡ ከስምዕን ጻውዒት ከምዘቕረበ ሚኒስትሪ ሓበሬታ ሱዳን ኣብ ናይ ፌስ ቡክ ገጹ ሓቢሩ ነይሩ። ነቲ ዝካየድ ዘሎ ዕልዋ መንግስቲ ዝቃወሙ ሰልፈኛታት ኣብ ጎደናታት ካርቱም ወጺኢም ሓያል ተቓውሞ የስምዑ ኣለዉ። ሓይልታት ጸጥታ ብወገኖም ኣንጻር እዚ ምንቅስቓስ ተዋፊሮም ኣለዉ። ኣብ 2019፡ ቅድሚ እቲ ዲሞክራስያዊ ቅዋም ምፍራሙ፡ ሓይልታት ጸጥታ ተኲሶም 87 ሰባት ቀቲሎም እዮም። ክልቲኦም ኣካላት እንትናኸሱ፡ እዚ ጅምላዊ ቅትለት ካብ ኣእምሮ እቲ ህዝቢ ዝጠፍእ ኣይኮነን።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59047382"} {"headline":"ጀነራላት ሱዳን ንወለዶይ ጠሊሞምዎ’ዮም - ርእይቶ","content":"ቢቢሲ ካብ ኣፍሪቃውያን ጸሓፍቲ ንዝመጾ ጽሑፋት ኣብ ዘቕርበሉ መደብ፡ ድሕሪ ህዝባዊ ሰውራ ኣብ 2019 ናብ ሱዳን ዝተመለሰ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ነበር ሞሃናድ ሓሽም፡ ሰራዊት ዕልዋ ድሕሪ ምፍጻሙ ናይ ብዙሓት ተስፋ ከም ዝተቖጸየ ዘዘንትወሉ ጽሑፍ ቀሪብናልኩም ኣሎና። ከም ሰራሕተኛ ሃገራዊ ብሮድካስቲን ኮርፖሬሽን ሱዳን ኤስኤንቢሲ፡ ናብ ስርሐይ ንምምላስ ኣብዚ ሰሙን ናብ ሱዳን ክበርር ነይሩኒ። ነቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ እየ ተጸምቢረዮ። ካብ ወዲ 19 ዓመት ጀሚረ ኣብ ስደት ብምንባረይ፡ ናብታ ካብ ዑመር ኣልበሽር ነጻ ዝኾነት ሱዳን ምኻድን ኣብኡ ናይ ምስራሕን ሕልመይ ክውን ኮይኑ። እንተኾነ ግና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ዕልዋ ንህይወተይ ፋሕብትን እዩ ኣእትዩሉ። ስድራይ ክርኢ ናብ ለንደን ኣብ ዝገሽኩሉ እዩ ኣጋጢሙ፤ በዚ ድማ ኣብዚ እዋን ኣነ ብዘይ ስራሕ፡ ዓደይ ድማ፡ እቲ ጁንታ ኣንጻር እቲ ንደሞክራሲ ዝጽውዕ ተቓውሞታት ስልጣኑ ንምጥጣሕ ኣብ ዝጽዕረሉ ዘሎ ኩነታት፡ ኣብ ዕግርግር ንርከብ። ብዙሓት ተጠሊምና ዝብል ስምዒት ከም ዘለዎም እቶም ካብ ዓዲ ከዘራርቦም ዝኸኣልኩ ሰባት ነጊሮምኒ። ብዙሓት ሱዳናውያን ነቲ ኣብ 3 ሰነ 2019 ኣብ ኣፍደገ ዋና ቤትጽሕፈት ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ተቓውሞ ንዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ይዝክሩ ኣለው። ሽዑ እቲ ሰራዊት ንፕረዚደንት ኣል በሽር ብምዕላው ንኽልተ ወርሒ ስልጣን ተቖጻጺሩ ብምንባሩ፡ እቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት፡ ሰራዊት ስልጣኑ ንሲቪል ከረክብ ይጠልቡ ነይሮም። ኣብታ ዕለት ግና ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰልፈኛታት ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ብውሑዱ 87 ሰባት ተቐቲሎም። እቲ ጉዳይ ድሕሪ ኽልተ ዓመት’ውን ጌና ፍትሒ ከምዘይረኸበ ብዙሓት ይኣምኑ፤ እዚ ዕልዋ ከኣ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ንህዝቢ ንዝኣተዎ ቃል ንካልኣይ ጊዜ ከም ዝጠለመ ጌሮም ይቖጽርዎ። ኣነ ዝፈልጦም ብዙሓት ብተግባር እቲ ሰራዊት ጉህዮም እዮም። ኣብ መንጎ እቶም ካብ ነሓሰ 2019 ጀሚሮም ስልጣን ተመቓሪሖም ዝጸንሑ ወተሃደራውያንን ሲቪልን መራሕቲ ምትፍናን ብምጽንሑ፡ እቲ ዕልዋ ትጽቢት ዘተይገበረሉ እኳ እንተዘይኮነ፡ እቲ ዝተፈጸመሉ ግዜ ግና ዘሰንብድ ኮይኑ ከም ንዕቐት ይርአ። ካብ ስራሕ ምግላፍን ናብ መዝነት ምምላስን ኣርባዕተ መዓልትታት ቅድሚ እቲ ዕልዋ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ መላእ እታ ሃገር ነቲ ሲቪላዊ ምምሕዳር ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም - እዚ ድማ ኣብቲ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ጽቡቕ ሸፈነ ተዋሂብዎ። 25 ጥቅምቲ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ግና፡ ብረት ዝዓጠቑ ወተሃደራት ኣብ ኦምዱርማን ንዝርከብ ቤትጽሕፈት ኤስኤንቢሲ ተቖጻጺሮምዎ። ናይ ቀደም ጀነራላትን ሓለፍቲ ጸጥታን፡ ኣብ ፈነወታት ብምቕራብ እቲ ስጉምትታት ነቲ ሰውራን ቅኑዕ መስመሩን ንምድሓን ምዃኑ ብምዝራብ እቲ ስጉምቲ ምኽንያታዊ ምዃኑ ከረድኡ ፈተኑ። ንዝቐጸሉ ሒደት መዓልትታት፡ ክልተ ኣዘዝቲ ነቲ ሃገራዊ ማዕከን ዜና ኣካየድዎ። ብድሕሪኡ ኣብ እዋን ኣል-በሽር ሓላፊ እቲ ማእከን ዜና ዝነበረ ኢብራሂም ኣል-ቡዛኢ ናብ መዝነቱ ተመለሰ። ብጾተይ ከም ዝነገሩኒ፡ ንሰልፊ ኣልበሽር (ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ) እሙናት ዝነበሩ ውልቀሰባት ናብ መዝነቶም ተመሊሶም ኣለው። ንሳቶም በቲ ዘለዎም እስላማዊ ዝንባለ ፍሉጣት ኮይኖም በቲ ንስርዓት ኣል-በሽር ንምብታን ዝቖመ ኮሚተ ካብቲ ኮርፖሬሽን ተባሪሮም ነይሮም። ገለ ደገፍቲ ናይቲ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝርከብ ብቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝምራሕ ሲቪላዊ መንግስቲ ኢኹም ዝተባሃሉ ኣባላት ካብ ስርሖም ደው ኢሎም ኣለው። እቲ ንሸፈነ ኤስኤንቢሲ ነጻ ንምግባር ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕሪ ንድሕሪት ተመሊሱ እቲ ትካል ዳግማይ ልሳን ናይቲ ስርዓት ኮይኑ ኣሎ። ኣብዚ እዋን ንተለቪዥን ሱዳን ምስ እትርእይ፡ እቲ ኣቀራርባ ካብቲ ናይ እዋን ኣል-በሽር ዝተፈለየ ኣይኮነን። ድምጽታት ተቓውሞ ኣነ ሓደ ካብቶም እቲ ሃገራዊ ማእከን ዜና ንሓድሽ ምስሊ ሱዳን ከንጸባርቕ ዝጽዕሩ ዝነቡ እየ። ድሕሪ ንሰሙናት ዝዘለቐ ምዕጻው ኢንተርነት፡ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት፡ ምዕጻው ጋዜጣታትን መደበራት ኤፍኤምን፡ ፈነወታት ቢቢሲን ኣርኤፍኣይን ብኤፍኤም ከይመሓላለፍ ምኽልኻልን ካልእን ግና ነዚ ሕልሚ ኣሕሲስዎ ኣሎ። ንደሞክራሲ ዝጽውዑ ጎስጎስቲ ግና ጌና ተስፋ ኣይቆረጹን። ኣብቲ ዝነብረሉ ከባቢ ኦምዱርማን፡ ወለንታውያን መንእሰያት ከም ሕብስቲ፡ ሽኮርን ጋዝን ዝኣመሰሉ መሰረታውያን ቀረባት ንምርግጋጽ ናይ ግልጋሎታት ኮሚተታት የካይዱ። እዞም ኮሚተታት ተቓውሞ: ኣወሓሓድቲ ደገፍቲ ደሞክራሲ ናይ ዝኾነ ናይ ምንቅስቓስ ውዳበታት ኣወሃሃድቲ ብምዃን ንነበርቲ እቲ ከባቢ የለዓዕሉ ኣለው። ሰላማዊ ሰልፍታት ይውድቡን ኣንጻር እቲ ሰራዊት መገድታት ይዓጽውን። ካብ ህዝቢ ሱዳን እቲ 65% ትሕቲ 30 ዓመት ዕድመ ዘለዎ ኮይኑ እቲ ዝበዝሐ ነቲ ድምጹ ንምዕፋን ንዝግበር ጻዕሪ ሰጊሩ ድምጹ ክስማዕ ይደሊ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59358753"} {"headline":"ኣብ ሱዳን ሰልፈኛታት ‘ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ’ ክግበር ጠሊቦም","content":"ሱዳን ናብ ዲሞክራሲ እትገብሮ ስግግር ዝቃወሙ ሰልፈኛታት ትማሊ ቀዳም ኣብ ካርቱም ኣብ ዘካየድዎ ሰልፊ ተቓውሞ፡ እቲ ሰራዊት ዕልዋ መንግስቲ ክፍጽም ጠሊቦም። ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ቅልውላው እናዓሞቐ ኣብ ዝኸደሉ ኣብዚ ሰዓት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ኣብ ፊት ንፊት ቤተ መንግስቲ እታ ሃገር ወጺኦም እዮም፡ ዕልዋ መንግስቲ ክካየድ ፀዊዖም። ፕረዚደንት ዖማር ኣልበሺር ኣብ 2019 ካብ ስልጣን ካብ ዝእለ ጀሚሩ፡ ቤት-ምኽሪ ሰራዊትን ሲቪልን ብሓባር ስልጣን ሒዞም ጸኒሖም። እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም፡ ምስ ፕረዚደንት ነበር ዖማር ኣልበሺር ርክብ ነይሩዎም ዝተብሃሉ ወተሃደራት፡ ዕልዋ መንግስቲ ካብ ዝፍትኑ ንደሓር ወጥርታት ዓሲሉ ይርከብ። ካብኡ ንደሓር ጀሚሩ፡ ኣብ ገለ እቶም ነቲ ናይ ጥሙር ስግግር መንግስቲ ዘቖሙ ሲቪል [ኤፍኤፍሲ] ክልወጡ ዝጠልቡ ሕቶታት ይቐርቡ ኣለዉ። ሰራዊት እታ ሃገር ድማ፡ እቲ ካቢነ ብካልእ ክትካእ ይሓትት ኣሎ። ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ ግና፡ ‘ውድቀት ነዚ ጥሙይ መንግስቲ’ ከምኡ’ውን ‘እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ፍትሕን ማዕርነትን ከስፍን ኣይከኣለን፤ ወተሃደራዊ መንግስቲ ዕልዋ ክፍጽም ንጠልብ’ ዝብሉ ጭርሖታት ሒዞም ወጺኦም-ይብል ኤኤፍፒ። ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል-ቡርሃን፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ እቲ ሰራዊትን ናይቲ ልኡላዊ ሓበራዊ ቤት-ምኽሪ ሓላፍን እዩ። ደገፍቲ መንግስቲ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም እዮም። ነቲ ቀዳም ዝካየድ ሰልፊ ምላሽ እዩ። ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ሰራዊትን ሲቪላውያንን ኣባላት ልኡላዊ ቤት-ምኽሪ ዘሎ ወጥሪ እናዓረገ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ኩነታት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ንመሰጋገሪ እዋን እታ ሃገር ንምዝራግ ዝግበር ጻዕርታት ኣጠንቂቑ። እቲ እንኮ መፍትሒ ድማ ነቲ “ሓደገኛ ፖለቲካዊ ቅልውላው” ብዘተ መፍትሒ ምግባር ምዃኑ’ውን ተዛሪቡ። ንሱ፡ ነቲ እታ ሃገር ወጢናቶ ዘላ መስርሕ ምስግጋር ስልጣን ናብ ሲቪላውያን ክትግበር ጥራይ ኣለዎ ይብል። ነዚ ስግግር ዘይደልዩ፡ ገለ ኣዝዮም ሓያላት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ምህላዎም ይግለጽ። ዝቕጽሉ ሒደት መዓልትታት ኣዝዮም ኣገደስቲ ምዃኖም እዩ ዝግለጽ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58944717"} {"headline":"ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምምጻእ ጻዕሩ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምምጻእ ጻዕሩ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ። ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ወገናት ናብ ልዝብ ምእንቲ ክበጽሑን ነቲ ጎንጺ መዕለቢ ክገብሩሉን ምእንቲ ሃገሩ ንኩሎም ወገናት ክትረክብ ምኽኣላ'ውን ተዛሪቡ። ብሰንኪ እቲ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣቍጺሩ ዘሎ ኲናት ትግራይ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ክቕተሉ እንከለው ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም እዮም፤ ብዙሓት ድማ ንሓደጋታት ዓጸቦ ተቓሊዖም ምህላዎም ይግለጽ። ሱዳን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብ ኲናት ትግራይ ዝሃደሙ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣዕቝባ ትርከብ። ኢትዮጵያ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት፡ ነቲ ሱዳን ዘቕረበቶ ናይ ምሽምጋል ሓሳብ ክትነጽጎ እንከላ፤ ኣብ ልዕሊ ገለ መራሕቲ ሱዳን ዝነበራ እምነት ከምዝጠፍአ ምግላጻ ይዝከር። ወሃቢት ቃል ቀዳማይ ሚኒስተር ቢልለኔ ስዩም፡ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሱዳን እምነት እተሕድረሉ ኩነታት እንተዘይተፈጢሩ ሱዳን ከም ተኣማኒት መተዓረቒት ምቕባል ዝኸብድ ምዃኑ ተዛሪባ ነይራ። ኢትዮጵያ ነቲ ተበግሶ ድሕሪ ምንጻጋ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝነበረ ኣምባሳደራ፡ ንምምኽኻር ብዝብል ከም ዝሰሓበቶ ይፍለጥ። ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣንቶኒ ብሊንከን ብዛዕባ ኢትዮጵያ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ዘትዩ ከም ዝተዘራረበ ይዝከር። ነቲ ዝጋደድ ዘሎ ኲናትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ንምግታእ ክልቲአን ሃገራት ምስ ካልኦት ዓለምለኻዊ መሻርኽተን ኮይነን ብሓባር ንክሰርሓ ከም ዝተስማምዓ ካብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ዝወጽአ መግለጺ ሓቢሩ ነይሩ። እቲ ዝርርብ ዞባዊ ሰላም ዘማእኸለ ከም ዝነበረ'ውን ይግለጽ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58227891"} {"headline":"ብፕረዚደንት ኤርዶጋን ዝተዓደመ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ቱርኪ ኣትዩ","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ቱርኪ ወግዓዊ ምብጻሕ ስራሕ ንምክያድ ሎሚ ቱርኪ ኣትዩ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ፕረዚደንት ረሲፕ ጣይፕ ኤርዶጋን ተራኺቡ ኣብ ዙርያ ክልትኣውን ዞባውን ጉዳያት ከም ዝዝቲ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ሓቢሩ። ቅድሚ ክልተ ሰሙን ፕረዚደንት ቱርኪ ምስ ኣብዪ ኣሕመድ ብስልኪ ምስ ተዘራረበ ሃገሩ ንኢትዮጵያ 'ኩለመዳያዊ ሓገዝ ክትገብር ድሉውቲ ምዃና ምግላጹ ዝዝከር እዩ። ክልቲኦም መራሕቲ ብ25 ሓምለ 2013 ዓ.ም ብስልኪ ኣብ ዝተዘራረብሉ እዋን ቱርኪ ንርግኣትን ሰላምን ኢትዮጵያ ዓብዪ ዋጋ ከም እትህብ እቲ ፕረዚደንት ገሊጹ ነይሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣብታ ሃገር ዝጸንሐሎም መዓልታት'ኳ እንተዘይተገለጸ፡ እቲ ምብጻሕ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝጀመረሉ መበል 125 ዓመት ምዃኑ ፍሉይ ይገብሮ ክብል ኮምዩኒኬሽን ዳይሮክተሬት ቱርኪ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ። ኣብዚ ግዜ፡ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ብምግምጋም ርክበን ንምጥንኻር ክውሰዱ ብዛዕባ ዝግብኦም ዝምድናታት ክመያየጡ'ዮም ተባሂሉ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣቦ መንበር ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ብሰንኪ ዶባዊ ሽግራትን ህንጸት ግድብ ሕዳሰን ምስ ኢትዮጵያ ትወጣወጥ ዘላ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል-ቡርሃን ቅድሚ ሒደት መዓልታት ናብ ቱርኪ ተጓዒዙ ነይሩ። ሱዳን፡ ምብጻሕ ጀነራል ኣል-ቡርሃን ዝምድና እተን ሃገራት ንምጥንኻር ዝዓለመ'ዩ ኢላ። ጄነራል ዓብደል ፋታህ ኣል-ቡርሐን ፕረዚደንት ኤርዶጋን ብመሰረት ዘቕረበሉ ዕድመ ንክልተ መዓልታት ምብጻሕ ገይሩ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ተመሊሱ። ንሱ ብርክት ዝበሉ ስምምዓት ተፈራሪሙ'ዩ። ቐረብ ሓይሊ፣ ምክልኻል፣ ፋይናንስን መራኸብቲ ሓፋሽን ክልቲአን ሃገራት ካብ ሞንጎ ዝተሰማምዓሎም ጽላታት ምዃኖም ማዕኸን ዜና ኣናዶሉ ጸብጺቡ ነይሩ። ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ ገዚፍ ኢንቨስትመንት ካብ ዘውፈራ ሃገራት ሓንቲ ኮይና፡ ኣብ ዓለባን ምፍራይ መተሓላለፊ ኤሌክትሪክ ዝኾኑ ገመዳትን ሓዊሱ ኩባኒያታት ቱርኪ ናይ 2.5 ቢልዮን ዶላር ከም ዘውፈሩ እቲ ጸብጻብ ይሕብር። ቱርኪ ኣብ ቐጠባውን ፖለቲካውን ጉዳያት ማእኸላይ ምብራቕ ጽልዋ ፈጣሪት ካብ ሞንጎ ዝኾና ሃገራት ሓንቲ'ያ። ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ቱርኪ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ [ድሮናት] ተቕርብ ኣላ ዝብሉ ጸብጻባት ምስ ወጽኡ መንግስቲ እታ ሃገር 'ሓሶት እዩ' ምባሉ ይዝከር። ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ዘካይዶ ወተሃደራዊ ስርሒት ዘገልግሉ ኣብ ቱርኪ ዝተሰርሑ ድሮናት ኣእትዩ ኣሎ ዝብል ጸብጻባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሕ ድሕሪ ምዝርግሑ እዩ እቲ ኤምባሲ ምላሽ ዝሃበ። ኣብ ትግራይ ብዝተኻየደ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብምጥቃም ዝተፈላለዩ ስርሒታት ምፍጻሙ ቅድሚ ሕጂ ተገሊጹ ነይሩ። ብኻልእ ወገን ፍሉይ ልኡኽ ቐርኒ ኣፍሪቃ ኣመሪካ ጄፍሪ ፌልትማን ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ የካይድ ምህላው ተፈሊጡ። ፌልትማን ካብ 9 ክሳብ 18 ነሓሰ [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ ዘለው ዓሰርተ መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ፣ ጂቡቲን ሕቡራት ኢመራት ዓረብን ብምኻድ ምስ ላዕለዎት ሰብ መዚ እተን ሃገራት ክዘራረብ'ዩ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58251393"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ 'ዓሳ ክዘፍፍ ከይደ፡ ሬሳ ረኺበ'- ኣብ ሩባ ተከዘ ዓሳ ብምግፋፍ ዝናበር ስደተኛ","content":"ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዶብ ትግራይን ሱዳንን ኣብ ሩባ ተከዘ (ሰቲት) 50 ሬሳታት ተዘፊፎም ምውጸኦም ይዝከር እዩ። ሰብመዚ ጉዳያት ወፃኢ ሱዳን፡ እቲ ኣብ ሩባ ተከዘ ዝተረኸቡ ሬሳታት ናይ ተወለድቲ ትግራይ ምዃኑ ንኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ካርቱም ከምዝገለፀሉ ይፍለጥ። ብርክት ዝበሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ከምኡ'ውን ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝርከብ ሑመራ ሃዲሙ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ዶ\/ር ቴድሮስን ከምዝሓበርዎ፡ እቶም ግዳያት ካብቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ፈደራልን ኵናት ዝካየደሉ ዘለው ምዕራብ ትግራይ ዝመጽኡ እዮም። ዶ\/ር ቴድሮስ፡ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ መብዛሕትኦም እቶም ሬሳታት ናይ ጥይት መውቓዕቲ ገሊኦም ድማ ኢዶም ኩርንኩሪት ተኣሲሮም እዮም ተረኺቦም። እቶም ሬሳታት፡ ንኣስታት ሸውዓተ መዓልቲ ኣብቲ ማይ ጸኒሖም ክኾኑ ከምዝኽእሉን፡ ኣብ መንጎ እቶም ሬሳታት ናይ ደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ከምዝርከብዎም ሓቢሩ ነይሩ። ቢቢሲ፡ ካብቶም ሬሳታት ኣብ ምውጻእ ዝተሳተፉ መሰኻኽር ዓይኒን ግዳያትን ንገለ ኣዛሪቡ ኣሎ። ብሰንኪ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ንሱዳን ካብ ዝሰደድ 10 ወርሒ ዝገበረ ኣይተ ዳዊት ካብ ሩባ ተከዘ ዓሳ ገፊፉ እናሸጠ ህይወቱ ክመርሕ ጀሚሩ። \"ምስፀገመኒ ዓሳ እናዘፈፍኩ ክሸይጥ ጀሚረ\" ዝብል ኣይተ ዳዊት፡ ካብቲ ህይወቱ ንምድሓን ዝሰገረሉ ሩባ ተከዘ፡ ዓሳ ብምዝፋፍ፡ ኣብ ሓምዳይት ናብ ዝርከቡ ሱዳናውያንን ካልኦትን ብምሻጥ ይመሓደር። እንተኾነ ብ17 ሓምለ 2013 ዓ.ም ከም ወትሩ ዓሳ ክገፍፍ ምስ ወፈረ ንቑልቁል ኣፉ ዝተደፍአ ሰብ ርእዩ ምስ ዓርኩ ኣውጺኦም ቀቢሮምዎ። ኣዝዩ ብዘሰንብድ መልክዑ፡ \"ዓሳ ክዘፍፍ ከይደ ሬሳ ረኺበ\" ይብል። ነቲ ሬሳ ምስ ቀበሩ፡ ሎሚ ዓሳ ምዝፋፍ ይትረፈና ንኺድ ኢሎም ምስ ነቐሉ ድሕሪ ገለ ደቓይቕ ካልኣይ ሬሳ መጺኡ ንዕኡ እውን ቀቢሮምዎ። ብድሕሪኡ ምግቢ እውን ክበልዑ ኣይከኣሉን ሰምቢዶምን ሓዚኖምን ንገዝኦም ተመሊሶም። ንጽባሒቱ እውን ሓደ ሬሳ፤ ብ26 ሓምለ ከኣ ሰለስተ ሬሳ ካብቲ ሩባ ኣውጺኦም ኣብ ደንደስ ሩባ ከምዝቐበርዎምን ሓደ ሬሳ ግን እናረአዩዎ ከምዘምለጦም ንቢቢሲ ገሊፁ። \"ብዕለት 18 ሓምለ እናኣተና ከለና ክልተ ሰለስተ ዝኾኑ ሓሊፎምና'ዮም፤ ብ26 ድማ ሰለስተ ሬሳታት ረኺብና፤ ሓደ ምስኦም ዝነበረ ሬሳ ብዓይንና እናረኣናዮ ኣምሊጡና። እቶም ዝረኸብናዮም ዕድል ገይሮም እቲ ሩባ ናብ ጫፍ እናደፍአ ዘምፅኦም እዩ\" ብምባል፡ ቁፅሪ በቲ ሩባ ዝተወሰዱ ሬሳታት ልዕሊ እቲ ዝረኸብዎ ከምዝኾነ ዘመልክት'ዩ ይብል። ካብ'ቶም ዝረኸብዎም ሬሳታት፡ ''እቲ ሓደ ኣብ ኢዱ መስቀል ዝተወቀጠ፣ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ክሳዱ 'ወይ'ከ ፈተኽ' ዝብል ውቃጦ ከምዝነበሮን ኣብ ክሳዶምን ርእሶምን ናይ ጥይት መውቃዕቲ ምልክት ነይሩዎም\" ከኣ ይብል። እቶም ሰባት መቕርቦምን ኣዝማዶምን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ገዲፎም ብምምፅኦም \"እቲ ሬሳ ናይ መን ኮን ይኾን\" ብምባል ኣብ ሻቕሎት ከምዝርከቡ ይዛረቡ። ካብ ሩባ ተከዘ ኣብ ሓደ መዓልቲ 25 ሬሳታት ከምዝወፅኡ ዝገልፅ ኣይተ ካሕሳይ ዝተባህለ ካልእ ናይ ዓይኒ ምስክር፡ ካብቶም ዘውፀእዎም ሬሳታት ደቂኣንስትዮን ቆልዑን ከምዝርከብዎም ይገልፅ። \"እቶም ዘውፃእናዮም 25 ሬሳታት ጥራሕ ነብሶም'ዮም ኔሮም። ሰለስተ ሰባት ኢድ ንኢድ ዝተኣሰሩ እውን ረኺብና፤ ገሊኦም ኣብ ኣፍ ልቦም ገሊኦም ከኣ ኣብ ግምባሮም ናይ ጥይት ውቃዕ ዝነበሮም እዮም። ሓንቲ ካብኦም ጓል ኣንስተይቲ ምስ ክልተ ቆልዑ ብኮበርታ ተጠቕሊላ፡ ብገመድ ተኣሲራ ረኺብናያ። ዘስካሕክሕ እዩ\" ክብል ምስክርነቱ ንቢቢሲ ሂቡ። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን፡ ካብ ሩባ ተከዘ መዓልታዊ ሓሙሽተ ሽድሽተ ሬሳ ከይወፅአ ከምዘይውዕል እቲ ሬሳ ከኣ ካብ ከተማታት ሑመራ፣ ኣደባይን ራውያንን ዝመፅአ ክኸውን ይኽእል'ዩ ይብል። እቶም ንቢቢሲ ቃሎም ዝሃቡ ምንጭታት እቶም ኣብ ሩባ ተከዘ (ሰቲት) ዝተረኸቡ ሬሳታት ነቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ይፍፀም ዘሎ \"መጥቃዕቲ\" ዘንፀባርቕ እዩ ዝብል እምነት ኣለዎም። ኣብቲ እዋን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝውነን ትዊተር ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ \"ናይ ሓሶት ምስልታት ብምጥቃም ኣብ ሑመራ'ስኑዕ ህልቂት' ተፈጺሙ ዝብሉ ፕሮፓጋንዳታት ካብ ደገፍቲ ህወሓት ይወጽእ ኣሎ\" ክብል ገሊጹ። ሓላፊ ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ኣይተ ግዛቸው ሙሉነህ ኣብ ፈለማ ወርሒ ነሓሰ ብዛዕባ ኣብ ሩባ ተከዘ ዝተረኽቡ ሬሳታት ብዝምልከት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ \" እዚ ኮነ ኢልካ ንማሕበረሰብን ትካላትን ዓለም ሓበሬታ ብምዝባዕ ኣብ ግጉይ ውሳነን ቅዋምን ንክበፅሑ ዝዓለመ እዩ። ጻዕዳ ሕሶት እዩ። ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ሓቀኛታት ፋኖ ኣምሓራን ከምዚ ዓይነት ሕሱር ተግባር ዝሰርሕ ልኡኽ የብሎምን\" ክብል ንቢቢሲ ምላሽ ሂቡ ኔሩ። ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ዝምልከት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ሱዳን 'ዋድ ኢል ሃይሎ' ተጓዒዙ ሰፊሕ ጸብጻብ ዘቕረበ ጉጅለ መርማሪ ሲኤንኤን፡ ኣብ መገዱ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ሰለስተ ሬሳታት ከምዝረኸበ ገሊጹ። ሰብመዚ እቲ ከባብን ሰብ ሞያ ምርመራ ሬሳን፡ \"ኩሎም እቶም ክሳብ ሕዚ ዝተረኸቡ ሬሳታት ቅድሚ ናብቲ ሩባ ምእታዎም ዝተቐትሉ ክኾኑ ከምዝኽእሉ\" ከምዝገለፅሎም ከኣ ፀብፂቡ። ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ሱዳን ሕክምና ዝከታተል ዘሎ ትግራዋይ ስደተኛ ኣይተ *ተወልደ፡ ብሰንኪ ኣብ ከተማ ሑመራ ኣሎ ዝበሎ 'ጃምላዊ ማእሰርቲ' ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ምስ ሳልሳይ ርእሱ ዶብ ተከዘ ኣቋሪፁ ንሱዳን ክሰግር እንከሎ ብጥይት ከምዝተወቕዐ ንቢቢሲ ይገልፅ። \"ሰዓት 10 ናይ ወጋሕታ፡ 'ጠጠው በሉ' ኢሎምና፡ ከይወቕዑና ኢልና ኣብ ዘለናዮ ኮፍ ኢልና። ክወቕዑና ምስደለዩ ሃዲምና ናብ ጫካ ኣቲና ኣይተራኸብናን። ክሃድም እንከለኹ ብጥይት ተኩሶም ፀጋመይቲ ኢደይ ወቒዖምኒ። ብዙሕ ደም ፈሲሱኒ፡ ወዲቐ። መሬት ምስ ወግሐ፡ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝነበሩ ፈለስቲ ከይደ፡ መስገርቲ ፀዊዖም ናብ ሱዳን ኣስጊሮምኒ\" ይብል። ኣብ ከተማ ሑመራ ቀበሌ 03 ከባቢ ቤተ-ክርስትያን እንዳ ሚካኤል ኣብ ዝርከብ ናይ ሰሊጥ መፃረይ ኣብ ዝነበረ መኽዘን፡ ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ተጋሩ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ኣይተ ተወልደ ንቢቢሲ ገሊፁ። ፍሉይ ሓይልን ፋኖን ኣምሓራ፡ ካብ 12 ሓምለ ጀሚሮም ገዛ ንገዛ እናዘሩ ንተጋሩ እናፈለዩ ክኣስሩን ከሳቕዩን ሪኡ ናብ ጫካ ሃዲሙ ኣምሊጡ ከምዝወጽአ ይዛረብ። ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ከተማታት ሑመራ፣ ኣደባይ፣ እድሪስ፣ ወረዳ ቃፍታ ሑመራን ቁሸት ደጓጉምን፡ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ሓድሽ ፆታዊ ዓመፅ፣ ዝምታ፡ ጃምላዊ ማእሰርትን ቅትለትን ይፍፀም ምህላው ግዳያት ንቢቢሲ ምግላፆም ይዝከር። ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ድሕነትን ክልል ኣምሓራ ዶክተር ሰማ ጥሩነህ፡ \"ኣብቲ ዝብሃል ዘሎ ከባቢ ፀገም በፂሑኒ ኢሉ ናብ ቢሮይ ሪፖርት ዝገበረ ዋላ ሓደ ተዛራቢ ትግርኛ የለን\" ክብል ነቲ ቅድሚ ሕዚ ዝቐረበ ክስታት ይነጽጎ። ኣብ ወርሒ ሕዳር ኲናት ምስ ተወለዐ፡ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ሕቶ ይግበኣኒ ዘልዕለሎም ንብዙሓት ከባብታት ምዕራባዊ ግዝኣት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሩ ገይሩ ይርከብ። ኣብ ጎኒ ሰራዊት መንግስቲ ፌደራል ተሰሊፎም ኣንፃር ሰራዊት ትግራይ ክዋግኡ ዝፀንሑ፡ ፍሉይ ሓይልን ሚሊሻን ኣምሓራ፣ ዕጡቓት ፋኖን ሰራዊት ኤርትራን ንምዕራብ ትግራይ ተቖፃፂሮምዎ ከም ዘለው ይፍለጥ። ካብ ምዕራብ ትግራይ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ህይወቶም ንምድሓን፡ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ከምዘለውን፡ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ድማ ናብ ካልኦት ከባብታት ትግራይ ከምዝተመዛበሉን ፀብፃባት ውድብ ሕቡራት ሃገር ይሕብሩ። መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘውጸኦ መግለፂ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ምፅናት ዓሌት ዝጽብጸብ ተግባራት ይፍጸም ምህላው ስክፍታ ከምዝፈጠረሉ ምዝራቡ ይዝከር። እንተኾነ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነቲ ክሲ 'ጻዕዳ ሕሶት'ዩ' ክብል ነጺግዎ እዩ። ሰብመዚ ክልል ኣምሓራ ብወገኖም ነቶም ዝቐርቡ ክስታት ብተደጋጋሚ ክነጽግዎም ጸኒሖም ኣለው።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58508865"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ሱዳን ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ንምዕራቕ ድሌት ከም ዘለዋ ተገሊጹ","content":"ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ምትእምማን ክህልዋ ዝፈጥር ኩነታት ክሳብ ዘይተፈጥረ ከም ኣተዓራቒት ምቕባል ከም ዘጸግም ኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ተዛሪባ። ቢልለኔ ስዩም ትማሊ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ \"ንሱዳን ከም ኣደራዳሪት ንምውሳድ ፈለማ ናይ ምትእምማን ጉዳይ ብዕምቆት ክርአ ኣለዎ ኢልና ኢና እንኣምን\" ኢላ። ወተሃደራት ሱዳን ኣብቲ ኢትዮጵያ ናተይ'ዩ እትብሎ ግዝኣት ድሕሪ ምእታዎም፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ከም ዝሓርፈፈን፡ ኣብ መንጎ ላዕለዎት መራሕቲ ዘሎ እምነት ከም ዝተባሕጎገን'ውን ተዛሪባ። መንግስቲ ሱዳን፡ ሃገሩ ነቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ተቓወምቲ ሓይልታት ትግራይን ዘሎ ግጭት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ክትሽምግል ድሌት ከም ዘለዎ ማዕከን ዜና ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ። ኣቐዲሙ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ዘካየዶ ርክብ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ከም ዝተዘራረበ ይፍለጥ። ክልቲኦም ሰብሰልጣን፡ ኩሎም ወገናት ኢትዮጵያ ኣብ ስምምዕ ዝተመርኮሰ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክገብሩ ንምትብባዕ ከም ዝሰርሑን፡ ንኹሉ ዘሳተፈ ፖለቲካዊ ልዝብ ክካየድን ልኡላዊነትን ሓደነትን ኢትዮጵያ ንምሕላዉ ከምኡ'ውን ሰብኣዊ ረዲኤት ዘድልዮም ገደብ ዘይብሉ ተባጻሕነት ክህሉ ከም ዝሰርሑ ተሰማሚዖም ነይሮም። ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ ተዂሲ ደው ቅድሚ ምባሎም 7 ነጥብታት ዝሓዘ ቅድመ-ኩነታት ምቕራቦም ይዝከር። ሓደ ካብኡ ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ብዘይገደብ ክኣቱ ዝብል'ዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ምስቲ \"ኣሸባሪ\" ክብል ዝፈረዶ ህወሓት ክዘራረብ ቅሩብ ከም ዘይኮነ'ዩ ዝገልጽ። ሓይልታት ፈደራል ካብ ትግራይ ኣብ ዝወጽሉ መወዳእታ ወርሒ ሰነ፡ መንግስቲ በይናኣዊ ምቁራጽ ተዂሲ ኣዊጁ ነይሩ'ዩ። እንተኾነ ምስ ህወሓት ዝምድና ዘለዎም \"ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ\" ነቲ ናይ መንግስቲ ስጉምቲ ብምንጻግ፡ መጥቃዕትታቶም ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ከም ዝኸፈቱ ኣፈኛ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ጠቒሳ። ነቲ ብወገን ሓይልታት ትግራይ ዝቐረበ ቅድመ-ኩነታት፡ \"ሰላም ንምውራድ ዝቐርቡ ሕቶታት ኣይኮነን\" ክትብል ቢልለኔ ገሊጻቶ። መንግስትን ህወሓትን \"ማዕረ ኣይኮኑን\" ድማ ትብል። ብዛዕባ ሰብኣዊ ረዲኤት ዝምልከት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ ድማ፡ ረድኤት ብሱዳን ክኣቱ ዝብል ኣማራጺታት ብዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ኣይቀረበን ኢላ። \"ህወሓት ናይ ዓፋር መንገዲ ኣማራጺ ኣይኮነ፡ ተዓጽዩ እዩ ዝብል ፕሮፖጋንዳ ይዝርግሕ ኣሎ\" ድሕሪ ምባል፡ መንግስቲ ረዲኤት በየናይ መንገዲ ክኣትዉ ከም ዘለዎ ናይ ምውሳን ስልጣን ኣለዎ ክትብል ተዛሪባ። \"መንግስቲ ብዓፋር ረዲኤት ከይኣቱ ከም ዝኸልከለ ተገይሩ ዝቐርብ ሓሶት'ዩ\"። መንግስቲ፡ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ ረዲኤት ናብቲ ክልል ከይኣቱ ዕንቅፋት ከም ዝኾኑ ይኸስስ።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58106960"} {"headline":"ሱዳን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ካብ ዝሓዝዎ ቦታ 'ደፊአ መሊሰዮም' ኢላ","content":"መንግስቲ ሱዳን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ግዝኣት ክሊ ሱዳን ብሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣበርዒኑ ንድሕሪት ከምዝመለሶ ገሊጹ። ላዕለዋይ ሓላፊ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን፡ ሰራዊት ሱዳን ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ 'ፍሹል' ፈተነ ዕልዋ፡ ኣብቲ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ'ውን ዘርኣዮ ግብረመልሲ ንሃገር ክሳብ ክንደይ ይከላኽል ከምዘሎ ዘርኢ'ዩ ኢሉ። መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ዝፈተነሉ ቦታ ኡም ባራኪት ኣብ ዝብሃል ቦታ ምዃኑ ሓቢሩ። ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኢትዮጵያ ነዚ ብሱዳን ዝተወሃብ መግለጺ መልሲ ንኽህበሉ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ምላሽ ኣይሃበን። እንተኾነ ኣልጀዚራ፡ ንመንግስታዊ ምንጪ ናይ ኢትዮጵያ ብምጥቃስ መንግስቲ ኢትዮጵያ \" ኣብ ዶብ ሱዳን ዝኾነ ወተሃደራዊ ምንቕስቃስ ይኹን ብሰራዊትና ዝተፈጸመ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣይነበረን\" ምባሉ ገሊጹ። ኡም ባራኪት ኣብቲ ንኢትዮጵያን ንሱዳንን ዘሰሓሕበን ልሙዕ ናይ ሕርሻ መሬት ኣልፋሽጋ ዝርከብ ኮይኑ፡ ኣብቲ ቦታ ወጥሪ ናይ ክልቲኤን ሃገራት ካብ ግዜ ናብ ግዜ'ዩ ዝኸርር ዘሎ። ኣብቲ ሱዳን 'ናተይ እዩ ትብሎ' መሬት ንዝሓልፈ ዓሰርተታት ዓመታት ሓረስቶት ኢትዮጵያ እዮም ክጥቀምሉ ጸኒሖም። ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ወጥሪ ካብ ዘበረኸ ካልእ ክስተት፡ እቲ ኢትዮጵያ ትሃንጾ ዘላ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ምምላእ ምስ ጀመረት ኮይኑ፡ ሱዳን ምስ ግብጺ ብምዃን እቲ ዓቢ ግድብ ሃዳሰ ንመጠን እቲ ናብአን ዝፈስስ ማይ ክንክዮ እዩ ዝብል ምጉት'የን ዘቕርባ። እቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓልፈ ወርሒ ሕዳር ዝጀመረ ኩናት'ውን ንርክብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ከይጸለዎ ኣይተረፈን፡ ኢትዮጵያ፡ \"ኣብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ' ተጸሚደ እንከለኹ'ያ ሱዳን ንኣልፋሺጋ ሒዛቶ\" ኢላ ብምኽሳስ፡ ናብ ዘተ ንክቐርባ ሱዳን ናብቲ ቅድሚ ወርሒ ሕዳር ዝነበረቶ ቦታ ንክትምለስ ዝጠልብ ቅድመ ኩነት'ያ ኣቕሪባ ዘላ። ሱዳን ብወገና ነቲ ብኢትዮጵያ ዝቐረብ ቅድመ ኩነት ብምንጻግ፡ ኣብ መሬተይ እየ ዘለኹ ዝብል መልሲ እያ ሂባ። ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ዞባ ኣልፋሺጋ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ክልቲኤን ሃገራት ብተደጋጋሚ ምልውዋጥ ቶዂሲ ክካየድ ምጽንሑ ጸብጻባት ይሕብሩ። ሱዳን ካብ መወዳእታ ዝሓላፈ ዓመት ኣትሒዛ ሰራዊታ ኣብቲ ኸባቢ ኣኽቲታ ትርከብ። ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሰራዊት ኤርትራ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያን ምልሻታት ክልል ኣምሓራን ኣብቲ ዘሰሓሕብ ቦታ ምንቅስቃስ ይገብሩ ምህላዎም ምግላጹ ይዝከር።","category":"ሱዳን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58689151"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ: ብዛዕባ ናብ መቐለ ዝተጓዕዙ ዲፕሎማሰኛታት እንታይ'ዩ ኣቖጢዕዎ?","content":"ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ፡ ልዕሊ 20 ኣዋርሕ ዘቑፀረ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ፡ ሰላማዊ ዕልባት ንምርካብ፡ ምስ መራሕቲ ትግራይ ንምዝርራብ ናብ መቐለ ዝገሹ ላዕለዎት ዲፕሎማሰኛታት ዓለም፡ መንግስቲ ከምዘይሐጐሶ ገሊፁ። ኣማኻሪ ሃገራዊ ደሕንነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ መንግስቲ ፌደራል፡ እቶም ፍሉያት ልኡኻትን ዲፕሎማሰኛታትን ኣብ መገሻኦም ነቲ ጉዳይ ዝሕዝዎ ኣገባብ፡ ብዝምልከት ንማሕበረሰብ ዓለም ቅረትኡ ከምዘፍለጠ ብመገዲ ትዊተር ሓቢሩ። ኣምባሳደር ሬድዋን፡ እቶም ልኡኻት \"ኣብ ዘተ ሰላም ትኹረት ክገብሩ ትጽቢት ኣብ ዝተገብረሎም እዋን፡ ኣብ ቅድመ-ኵነት ህወሓት ኣተኲሮም\" ብዝብል እዩ ወቒሱዎም። ሰሉስ ሓምለ 26 2014 ዓ.ም፡ ፍሉያት ልኡኻት ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ከምኡ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣምባሳደራት ካናዳን ጣልያንን ዝሓቖፈ ጉጅለ ልኡኽ፡ ናብ ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ብምጓዓዝ ምስ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ከምዝተራኸበ ዝዝከር እዩ። እቶም ዲፕሎማሰኛታት ናብ መቐለ ተጓዒዞም ምስ መራሕቲ ትግራይ ድሕሪ ምዝርራቦም ኣብ ዘውፅእዎ ሓበራዊ መግለፂ፡ \"እቲ ኲናት ብሰላም ንምውዳእ ፖለቲካዊ ዘተ ናይ ግድን እዩ\" ኢሎም። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ ነዳዲ፣ ጥረ ገንዘብን ድኹዒን ዝተነብረ እገዳ ክለዓልን፤ ኣብ’ቲ ክልል ዝተቛረጹ መሰረታዊ ግልጋሎት ብህፁፅ ናብ ንቡር ክምለሱን'ውን ተላብዮም። ኣምባሳደር ሬድዋን፡ እቶም ዝተቛረፁ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ብዝምልከት መርገፂ መንግስቲ ግልፂ እዩ ዝበለ ዀይኑ፡ \"ኣገልግሎት ዝጅምረሉ ኩነታት ምፍጣርን ዘተ ሰላም ምጅማርን ቀዳምነት ክወሃቦ ይግባእ\" ኢሉ።\\n\\nከምኡ'ውን፡ 'ዘይተደረተ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት' ዝብል 'ተረኽ' ሕዚ'ውን ይቕጽል ኣሎ ዝብል ቅረታ ኣስሚዑ። \"ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ በረራታትን ናይ ጽዕነት መካይንን ናብቲ ክልል ብዘይ ገደብ ይጓዓዛ እየን ዘለዋ\" ብምባል፡እዚይን ጉዳይ ነዳድን ተፈቲሑ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ኣብ ምሕላፍ ሰብኣዊ ረድኤት ምምሕያሻት ከምዘሎ ዝዝረብ ኰይኑ፡ እቶም ዝተቛረጹ መሰረታዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ኣብ ምምላስ ዝብል ጉዳይ ግን፡ ዛጊድ ዝዀነ ጭቡጥ ለውጢ የለን። መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም፡ ትማሊ ሓሙስ ብቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ኣቢሎም ዘውፅእዎ መግለፂ፡ ኣባላት'ቲ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ 'ምስ መንግስቲ ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ርክብ ከይገበሩ ምምላሶም ዘይሻራውነቱ ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእቱ እዩ' ኢሎም። እቲ መግለጺ፡ ባዕሎም 'እቶም ተሓተትቲ' ዝበሎም ሰብመዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ 'ኣብ ከይዲ'ቲ ምርመራ ኢዶም የእትዉ ኣለዉ' ዝብል ጥርጣረ ኣንፀባሪቑ። እንተዀነ፡ እቲ መርማሪ ኮምሽን ኮነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እዚ ክሲታት ዝበልዎ የለን። እቲ ኮምሽን፡ ኣብ ቀረባ ግዘ መረዳእታት ካብ ህዝቢ ክቐርበሉ ዘውጸኦ ጻውዒት ብዝምልከት እውን፡ 'እቲ ክልል ኣብ ሙሉእ ናይ መራኸብታትት ዕፅዋ ኣብ ዝርከበሉ ኩነታት፡ ርእዩ ከም ዘይርኣየ ኮይኑ ንምሕላፍ ዝመረፀ እዩ ዝመስል' ክብሉ ወቒሶም። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ግና፡ ናብቶም ግህሰት ዝተፈፀመሎም ከባብታት ኣትዩ ከፃርይ ዘይተገደበ ተበፃሕነት ክፍቀደሉ ሓቲቱ ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ብቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝተጣየሸ ዓለምለኻዊ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ካብ መጀመርትኡ 'ፖለቲካዊ ዓላማ ዘለዎ' ክብል ዝተቓወመ ዀይኑ፡ ምስኡ ዝዀነ ምትሕብባር ከምዘይገብር’ውን ኣፍሊጡ ነይሩ። እንተዀነ፡ ድሒሩ ምስ ኣባላት እቲ ኮምሽን ብዝተገብረ ዘተ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ፃንሒት ዝገበሩ ኰይኖም፡ ምስ ላዕለዎት ሰብ ስልጣን መንግስቲ ቀዳማይ ዙር ዝርርብ ገይሮም ተመሊሶም ኣለዉ። እንተዀነ፡ ናብ’ታ ብዙሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈፀመላ ዝዝረበላ ክልል ትግራይ፡ ብፍላይ ድማ ናብቲ ዛጊድ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ዝርከብ ምዕራብ ትግራይ፡ ክበፅሑ ኣይከኣሉን። እቶም ናብ መቐለ ምብፃሕ ዝገበሩ ኣጋይሽ፡ ኣብ'ቲ ናይ ሓበር መግለፂኦም ካብ ዘልዐልዎም ዛዕባታት ሓደ ፡ እዚ መርማሪ ኮሚሽን ናብቶም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተፈፀመሎም ከባብታት ትግራይ፡ ንክኣቱ ክፍቀደሉ ኣለዎ ዝብል ይርከቦ። ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ተፈፂሙ ብዛዕባ ዝበልዎ 'ገበን ምጽጻይ ዓሌት' ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ሰፊሕ ጸብጻብ ምውጸኦም ዝዝከር እዩ። ሕብረት ኣውሮጳን መንግስቲ ኣመሪካን ነዚ ጸብጻብ ኣመልኪቶም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ እቲ መርማሪ ኮሚሽን ናብቲ ካበባቢ ኣትዩ ከጻሪ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሙሉእ ምትሕብባር ክገብር ፀዊዖም ምንባሮም ይዝከር።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/clk9l4r241po"} {"headline":"ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለየ ግንባራት ሰፊሕን ከቢድን ውግእ ይካየድ ኣሎ' - ጀነራል ታደሰ ወረደ","content":"ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ሰላማዊ መፍትሒ ንኽረክብ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘተ ሰላም ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለየ ግንባራት ሰፊሕን ከቢድን ውግእ ይካየድ ከም ዘሎ፡ ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊጹ። ብረቡዕ፡ ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ከባቢ ዓድዋ ከቢድ ብረትን ታንክታትን ዘሳተፈ ኲናት ይካየድ ኣሎ ኢሉ ነይሩ። ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ትማሊ ኣማስዩ ንማዕከናት ዜና እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ፡ ኣብ ከባቢታት ዞባታት ሰሜን ምዕራብን ማእከልን ትግራይ፡ ምስ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ጽዑቕ ኲናት ይካየድ ከም ዘሎ ሓቢሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ 24 ጥቅምቲ [ግእዝ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ተወሰኽቲ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ፈደራልን መሻርኽቱን ከምዝኣተዋ ምግላጹ ዝዝከር እዩ። ኣየኖት ከተማታት ከምዝተቖጻጸረ እንተዘይነጸረ'ኳ፡ ሰራዊት መንግስቲ ንከተመታት ሽረ፣ ኣክሱም፣ ዓድዋን ኣላማጣን ተቖጻጺሩ ከምዝርከብ ጸብጻባት ይሕብሩ። እንተዀነ፡ ብዛዕባ'ዚ ናይ ትማሊ መግለጺ ጀነራል ታደሰ ካብ መንግስቲ ዝተወሃብ ምላሽ የለን። እቲ ኣዛዚ፡ እዚ ልፍንታዊ ሓይሊ፡ “ካብ ዓድዋ ንሓውዜን፡ ንተምቤን ክቕጽል ብምትላም፡ ገሊኡ ብገንደብታ፡ ብፈረስ ማይ ገይሩ፡ ገሊኡ ድማ ብዕዳጋ ዓርቢ፡ ብፀድያ ገይሩ፡ ንሓውዜን ንምቕጻል መደብ ሒዙ ይንቀሳቐስ ኣሎ። በዚ መገዲ እዚ ኣብ ዛላምበሳ ዘሎና ምክልኻል ንምልቃቕ ኣንፈት ተኸቲሉ'ውን፡ ሓይሊ ሻዕብያ ከጥቅዕ ይፍትን ኣሎ፡” ብምባል፡ እቲ ሓይሊ በቲ ዝሓሰቦ ክስጕም ከም ዘይከኣለን ኣብኡ ከም ዝተረፈን ጠቒሱ፡ ነቲ ወተሃደራዊ ምዕባለታት ብዝርዝር ኣረዲኡ። ብኣንፈት ማይ ቅነጣል ገይሩ፡ ናብ ዕዳጋ ዓርብን ናብ ተምቤንን ክቕጽል ዝደሊ ሓይሊ ከምዘሎን፡ ጽዑቕ ውግእ ይካየድ ከም ዘሎ እውን ሓቢሩ። ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መግለጺኡ፡ ንዝሓለፉ 30 መዓልታት ብኣንፈት ደቡብ ትግራይ ዘየቋርጽ መጥቃዕቲ ከም ዝነበረ ጠቒሱ፡ ሰባትን እንስሳትን ከም ዝተቐተሉን ንብረት ህዝቢ ከምዝዓነወን'ውን ተዛሪቡ። “ብኣንፈት ኮረምን ኣላማጣን የጥቅዕ፣ ከቢድ ውግእ ይገብር ነይሩ። ጥሪትን ንብረትን ህዝቢ፡ ሂወት ህዝብን መዓት ሃሊቝ እዩ” ኢሉ። ኣብ ከባቢታት ባላ፡ ኣላማጣ፡ ጨርጨር፡ ኣብ መንጐ ኮረምን ኣላማጣን ከባቢ ኮረምን ውግእ ይካየድ ከምዘሎ'ውን እቲ ጀነራል ኣፍሊጡ። ብኣንፈት ኤርትራ፡ “ብቘላ ገጽ፡ ብኣብዓላ፡ መዓልታዊ ደብዳብ ኣሎ፡\" ድሕሪ ምባል፡ በቲ ኣንፈት ክካየድ ዝጸንሐ መጥቃዕቲ ገና ይቕጽል ከም ዘሎ ኸኣ ኣብሪሁ። ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ እናተበገሰ ምስ ሰራዊት ኤርትራ ብልፍንቲ የጥቅዕ ከምዘሎ ኸኣ ይሕብር። ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓባር፡ ብዛላምበሳ፡ ብግርሁስርናይ ኣንፈት ዕዳጋ ረቡዕን ኣዝዩ ከቢድን ዘየቋርጽን መጥቃዕቲ ከገብሩ ከም ዝቐነዩ፤ ትማልን ሎምን [ብ 26  27 ጥቕምቲ] ብተደጋጋሚ፡ ንምስባር ዝዓለመ መጥቃዕቲታት ይፍተን ከም ዘሎ ኣተሓሒዙ ኣብሪሁ። ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፡ ሰራዊት ኢትዮጵያን መሻርኽቱ ሓይልታት ኤርትራን ንከተማታት ሽረ፡ ኣክሱም፡ ዓድዋ፡ ኣላማጣን ኮረምን ከም ዝተቘጻጸሩ ተገሊጹ እዩ። ጀነራል ታደሰ ነዚ ኣመልኪቱ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንከተማታት ከምዝተቈጻጸሩ ብምሕባር፡ ሓይልታቶም ኣብ ዙርያ እተን ከተማታት ከምዘለዉ የመልክት። “ኣብ ትግራይ ደፊኦም ይኣትዉ ኣለዉ፤ ኣብ ኣክሱም ዓድዋን በጺሖም ኣለዉ። እተን ከተማታት ሒዞም ይመጽኡ ኣለዉ። ሰሜን ምዕራብ ገዲፎም፡ ሽረ፡ ማይ ጸብሪ ሒዘሞ ኣለዉ፡\" ብምባል፡ እንተዀነ ሓይልታቶም ዝገደፍዎ ወይ ዝገድፍዎ ቦታ ግን ከምዘየለ ምስ ባህሪ'ቲ ኲናት ኣተሓሒዙ የረድእ። ከባብታት ኣድያቦ፡ ፀለምቲ፡ ኣስገደ፡ ዛና፡ ዓዴትን ኣንከረን ግን፡ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ከም ዝርከባ ኸኣ ሓቢሩ። ምስዚ ኣተሓሒዙ እቲ ጀነራል፡ ትርጕምን ኣገዳስነትን ምቅይያር ቦታታት ኣብ ኲናት ጠቒሱ፡ ነቲ ሓይልታቶም ዝኽተሎ ዘሎ፡ \"እቲ ዝኣተወ ሓይሊ ደጀን ዘይረኽበሉ\" ኵነታት ምፍጣር ምዃኑ ይትንትን። ብኻልእ መዳይ፡ ነቲ ጐድኒ ጐድኒ'ዚ ኲናት፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ልዝብ ሰላም ብእወታ ከም ዝቕበልዎ ብምግላጽ፡ ነቲ ኵናት ፖለቲካዊ ፍታሕ ኣብ ምምጻእ ዝሕግዝ ክኸውን ዘለዎም ትጽቢት ከኣ ኣቐሚጡ። ኣብዚ ጉዳይ ጀነራል ታደሰ፡ እዚ ጉዳይ መወዳእታኡ ካብ ፖለቲካዊ መፍትሒ ወጻኢ ብኲናት ክፍታሕ ከምዘይክእል ብምእማት፡ ንሰላም ዘለዎም ድሉውነት ኣስሚሩሉ። እቲ ሳልሳይ መዓልቱ ዝገበረ ዝርርብ ሰላም ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ኤሊሰጉን ኦባሳንጆ፡ ምክትል ፕረዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ማላምቦ ንግኩካን ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታን ይመርሑ ኣለው። ኣብዚ ዘተ ሰላም መንግስቲ ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ንሓድሕዶም ብሸውዓተ ተዛተይቲ ከም ዝውከሉ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው፡ ኰለኔል ተወልደ ገብረትንሳኤ፡ ዶክተር ፍስሃ ሃብተጽዮን፡ ኣይተ ካሳ ገብረዮሃንስን ኣቶ ኣሰፋ ኣብርሃን ንትግራይ ወኪሎም ይዛተዩ ኣለዉ። ኣብቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም፡ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብተወሳኺ፡ ካብ ኣሜሪካ፡ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ዓለምለኸ ትካላትን ዝተወከሉ ተዓዘብቲ ይሳተፉ ኣለዉ። ተወካሊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ኣውሮጳ ዶክተር ኣክሊሉ ሃይለሚካኤል፡ መንግስቲ ትግራይ፡ ካብዚ ዘተ ሰላም፡ ብቐዳምነት ተዅሲ ደው ክብል፡ ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይገደብ ኣብ ኵሉ ከባቢታት ትግራይ ክባጻሕ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ፣ ዓለምለኸ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኻዊ መራኸቢ ብዙሓንን ናብ ትግራይ ኣትዮም ነቲ ኵነታት ክዕዘቡ ከም ዝጠልብ ንቢቢሲ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር። እዚ፡ እዚ ክልተ ዓመታት ክመልኦ ሒደት መዓልታት ተሪፍዎ ዘሎ ደማዊ ኵናት፡ ዝሓለፈ መጋቢት ንሰብኣዊ ረዲአት ተባሂሉ ብግዝያዊ ውዕል ምቝራጽ ተዅሲ ደው ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ 24 ነሓሰ ዳግማይ ተወሊዑ፡ ደማዊ ብዝዀነ ኣሰካፊ መልክዑ ይቕጽል ምህላው ይፍለጥ። ብሰንኪ'ቲ ኲናት፡ ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ባንኪ፡ መብራህቲ፡ ኣገልግሎት ሕክምናን ካልኦትን ብመንግስቲ ፌደራል ተቛሪጾም ይርከቡ። እዚ ድማ፡ ኣብ ነበርቲ እቲ ክልል ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ፈጢሩ ይርከብ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c29e703j866o"} {"headline":"ካብ ዝፍረም ሓደ ወርሒ ዘቑፀረ ስምምዕ ሰላም፡ እንታይ ተባሂሉ: እንታይከ ተፈፂሙ?","content":"እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን ንኽልተ ዓመታት ዝቐፀለን ደማዊ ኵናት ትግራይ ደው ንምባል፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ወግዓዊ ካብ ዝገብር ሎሚ ሓደ ወርሒ ኰይንዎ ኣሎ። እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኸተመ ታሪኻዊ ስምምዕ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ እዩ ተኻይዱ። ኣማኻሪ ሃገራዊ ደሕንነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ወሃቢ-ቃል ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ድማ ንህወሓት ብምውካል፡ ኣብቲ ስምምዕ ፈሪሞም እዮም። ኣብቲ ን12 መዓልታት ዝቐፀለ ድርድር፡ ኣብ 12 ነጥብታት ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ። እቲ ካብ ሰሉስ 15 ጥቅምቲ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ጀሚሩ ዝተኻየደ ድርድር፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጀርያ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ፣ ፕረዝደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታን ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ፑምዚለ ማላምቦ-ንፁካን ብመንጎኝነት ዝመርሕዎ’ዩ። ኣሜሪካ፣ ሕቡራት ሃገራትን ዞባዊ ውድብ ቀርኒ ኣፍሪቃ (ኢጋድ)ን ድማ፡ ብተዓዛብነት ተሳቲፎም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ እቲ ምስ ህወሓት ዘካየዶ ድርድር ሰላም “ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ሓሳብ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ተቐባልነት ረኺቡ” ክብል ተዛሪቡ። “ጅግንነት ማለት ምስዓር ጥራሕ ኣይኰነን። ጅግንነት ድሕሪ ዓወት ይቕረ ምባል እዩ። ጀጋኑ ምዃንና ዝረጋገፅ ካብ ዘለና ኣካፊልና ኣብ ትግራይ ንዝተጎድኡ ወገናትና ምኹላስ እንትንኽእል’ዩ። “ንህዝቢ ትግራይ ከሕልፎ ዝደሊ መልእኽቲ፡ ዘየድሊ ኵናት፣ ዘየድሊ ጉድኣት፣ ኣድላዪ ዘይኮነ ኢትዮጵያ ኣሕሊፍካ ምሃብ ኣብዚ የብቅዕ” ክብል እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ተዛሪቡ። ኣብቲ ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ መሻርኽቱ ሰራዊት ኤርትራ፣ ፍሉይ ሓይልን ምልሻን ክልል ኣምሓራን ኣንፃር ሓይልታት ትግራይ ንኽልተ ዓመታት ከም ዝተዋግኡ ይፍለጥ። ሰራዊት ኤርትራ ክሳብ ሕዚ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ከምዘለዉ መራሕቲ ህወሓት ይገልጹ። ኣብ ክፍላ ሕዳር ድማ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ኣብ ርእሰከተማ ኬንያ ናይሮቢ ተራኺቦም። እቶም መራሕቲ ሰራዊት ክልቲኡ ወገናት፡ ነቲ ኣካል እቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ዝኾነ ንሓይልታት ትግራይ ዕጥቂ ናይ ምፍታሕ ከይዲ ንምዝርራብ እዮም ተራኺቦም። ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ሌ\/ጀነራል ታደሰ ወረደን ሰኑይ ጥቅምቲ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ሰዓታት ናይ ንጉሆ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ልዝብ ጀሚሮም። እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ዝተገበረ ስምምዕ ንሽድሽተ መዓልታት ክሳብ ቀዳም 03 ሕዳር 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ናይ ምሸት ቀፂሉ። ኣሜሪካ፡ ቀንዲ ዛዕባ ስምምዕ ናይሮቢ፡ ነቲ ኵናት ምውልዑ ስዒቡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝተቛረፁ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ምምላስ ከምዝኾነ ኣፍሊጣ። ወሃቢ ቃል ቤት-ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይስ፡ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ምቅልጣፍን ተቛሪፆም ዝነበሩ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ናብ ንቡር ምምላስን ቀዳማይ ዋኒን ምዃኑ ገሊፁ። ምስ ኣመራርሓ ክልቲኦም ወገናት ብስልኪ ከም ዝተዘራራበ ዝሓበረ ኔድ ፕራይስ፡ “እዞም ጭቡጣት ስጉምትታት ድምፂ ብረት ደው ንምባል ዘለዎም ቆራፅነት ዘንፀባርቕ’ዩ” ብምባል ኣረዲኡ። መንግስቲ ፌደራልን ህወሓት ቀዋሚ ምቁራፅ ተፃብኦ ክገብሩ ዋላ’ኳ እንተተሰማምዑ፡ ናብ ትግራይ ምግብን ኣፋውስን ይኣቱ ከምዘየለ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ። ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ “ንስምምዕ ጎንፂ ደው ምባል ስዒቡ፡ ብቐጥታ ናብ ትግራይ ምግብን መድሓኒትን ክኣቱ’ዩ ኢለ እፅበ ነይረ” ብምባል፡ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘየለ ገሊፁ። ዶክተር ቴድሮስ፡ ኣብ ትግራይ ዝተቛረፀ ስልኪ፣ ባንክን ካልኦት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ናብ ንቡር ክምለሱ ድማ ፀዊዑ። ኣማኻሪ ሃገራዊ ደሕንነት እቲ ቀዳማይ ሚኒስትርን ተደራዳሪ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ ሰብዓ ሚእታዊት ከባብታት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሰራዊት ኢትዮጵያ ከም ዝኾነን ረድኤት ይኣቱ ከምዘሎን ብመገዲ ትዊተር ሓቢሩ ነይሩ። እንተኾነ፡ ወሃቢ-ቃል ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብፍሉይ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት እቲ ኣምባሳደር ዝበሎ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከም ዝኾነ ገሊፁ። ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተፈረመ ስምምዕ ኣተገባብራ ብዝምልከት ወተሃደራዊ ኣዝዝቲ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን፡ ኣብ ርእሰከተማ ኬንያ ናይሮቢ ቀዳም 03 ሕዳር 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ናይ ስምምዕ ፊርማ ከቲሞም። ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ጀነራል ታደሰ ወረደን ድማ ኣብቲ ስምምዕ ፊርመኦም ብምኽታም፡ ነቲ ስምምዕ ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ንምግባር ድሉው ከም ዝኾኑ ኣፍሊጦም። ስምምዕ ናይሮቢ ምስተኸተመ፡ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ቀዳም ምሸት ኣብ መቐለ ዝርከብ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት፡ ንህወሓት ወኪሉ ስምምዕ ሰላም ክፈራረም ዝለኣኽናዮ ተወካሊ የብልናን፡ ናይ ህወሓት ዝበሃል ሰራዊት’ውን የለን  ክብል ወግዓዊ መግለፂ ኣውፂኡ። ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ መንግስቲ እቲ ስምምዕ ሰላም ብዝተቐመጠሉ መገዲ መሰረት ይሰርሕ ኣሎ፤ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝርከቡ መብዛሕትኦም ከባብታት ትግራይ ረድኤት ክበፅሕ ይገብር ኣሎ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት’ውን ቀስ ብቐስ ስራሕ ይጅምሩ ኣለዉ ኢሉ። ይኹን’ምበር ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ንምእታው ገና ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓድ ይፅበዩ ከምዘለዉ ኣፍሊጦም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕጥቆም ንዝፈትሑ ሓይልታት ትግራይ “ብቀዋምነት ናብቲ ማሕበረሰብ ንክፅንበሩ” ሃገራዊ ኮምሽን ተሃድሶ ከምዘጣይሽ ኣፍሊጡ። ሚኒስትራት ባይቶ እታ ሃገር ድማ፡ ነዚ ኮምሽን ንምጥያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ተቐቢሉ ኣፅዲቕዎ፤ እቲ ረቂቕ ካብ ዝፀደቐሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ክውዕል ከምዝተወሰነ ከኣ ተገሊፁ። መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ንኣተገባብራ ናይቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበፅሐ ስምምዕ ዝምልከት ብቀዳም 03 ሕዳር 2015 ኣብ ናይሮቢ - ኬንያ ውዕል ምስ ፈረሙ፡ ብወገን ህወሓት ንስምምዕ ፕሪቶርያ ዝፈረመ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብፍሉይ ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ቃለ-መሕትት ኣካይዱ። ኣይተ ጌታቸው ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ ጕጅለ ልኡኽ፡ ናይ ህወሓት ዘይኰነስ \"ናይ መንግስቲ ትግራይ'ዩ\" ክብል መጒቱ። “ህወሓት ኣይፈረመን፡ ህወሓት ኣይፈረመን! መንግስቲ ትግራይ’ዩ ከይዱ፡ ንመግስቲ ትግራይ ስለ ዘይንፈልጦ ህወሓት ክንብለኩም ኢና ኢሎምና። ንሕና ሰላም ኢና ንደሊ፡ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ፡ መንግስቲ ትግራይ በሉና፡ ህዝቢ መሪፁና ኢልና ክንማጐት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣይሰምዕ ገለ ኣይሰምዕ። \"ብሕጊ ኣይንፈልጠኩምን ኢሎም። ስለዚ ስምና ስለዘይተቐበልኩም እቲ ህዝቢ ትግራይ ዘድልዮ ሓገዝ፡ ንህዝቢ ትግራይ ዘድልዮ ሰላም፡ ዋላ ኣብ ገደል ይእቶ፡ ኣይንቕበለኩምን ክንብል ኣይደለናን። ኣብቲ ጕጅለ፡ ኣነን ምናልባት ሓደ ካልእ ሰብን ኢና ናይ ህወሓት ኣባላት ዘለና፡ ካልኦት ኣባላት ህወሓት ኣይኰኑን፡ ናይ መንግስቲ ትግራይ ወኪላት’ዮም። \"ስለዚ፡ ንመንግስቲ ትግራይ ኣይፈልጦን’የ ኢሉ እቲ ሓደ ወገን። ስለዚ ንመንግስቲ ትግራይ ስለዘይፈልጥ፡ ንሕና ናትና ትዅረት ተዂሲ ደው ክብል ኣለዎ፣ ሓገዝ ክመፅእ ክኽእል ኣለዎ፡ ኣገልግሎታት ክቕፅል ኣለዎ እዩ። ሕዚ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ፡ ‘ኖእ፡ መንግስቲ ትግራይ ኢልኩም እንተዘይፈሊጥኩምና ውግእ ክንቅፅል ኢና’ ድዩ ዘዋጽእ ወይስ ዝበልኩም በሉና ነቲ ህዝቢ ዝጠቅም ንስራሕ ዝብል’ዩ። \"ብዛዕባ ህወሓት ኣይኰንኩን ዝዛረብ. . . እቲ ዋና ነገር መንግስቲ ትግራይ’ዩ ‘ደሊገሽን’ [ጕጅለ ልኡኽ] ሰዲዱ። መንግስቲ ትግራይ ዝበሃል ኣይንፈልጥን እንተ’ይሉ እቲ ሓደ ወገን፡ እቶም ኣደራደርቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ‘እሞ በዚ ዲኹም ክትፋረሱ፡ ዝዀነ ስም ይሃብኹም’ [ኢሎምና]” ብምባል ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት እዋናዊ ጉዳያት ተዛሪቡ። ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ረድኤት ኣፋውስ ዝፀዓና ክልተ መኻይን ናብ ርእሰከተማ ትግራይ መቐለ ከም ዝኣተዋ ኣፍሊጡ። ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣብዚ ጉዳይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዋላ ሓንቲ ባኮ ሓገዝ ትኹን ዓብዪ ረብሓ ከምዘለዎ ገሊፁ። ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ፡ “ብደም ሰራውር ዝወሃብ ፈሳሲ [ኢንፊዩዥን]፣ ናይ ቁስሊ መሕጸቢን መሸፈኒን፣ ንናይ ዓፅሚ ስብራት መእሰሪ ዝኸውን [ጀሶ]፣ ጓንት ከምኡ'ውን ንሕክምና መጥባሕቲ ዘገልግሉን ንፊዝዮቴራፒ ዝሕግዙን ናውቲ ኣትዮም ኣለዉ\" ኢሉ። መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ብቐዋምነት ተፃብኦ ደው ንምባልን ኣብ ወተሃደራዊ ጉዳያን ድሕሪ ምስምመዖም፡ ትካላት ረድኤት፡ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዝኣተወ እንትገልፁ ንፈለማ እዋን እዩ። ሓደ ላዕለዋይ በዓልስልጣን ኣሜሪካ፡ ኤርትራ ካብ ትግራይ ሰራዊታ እንተድኣ ዘይተውፅእ ኰይና ኣብ ልዕሊኣ ማዕቀብ ክግበር ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ። እዚ ብስም ዘይተጠቕሰ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ቤት-ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ፡ ዕለተ ሰሉስ 06 ሕዳር 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ዝተገበረ ኣኼባ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ሰራዊት ኤርትራ ብተወሳኺ ሓይልታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ትግራይ ከም ዝርከቡ ገሊፁ። መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን’ውን ዝተሰማምዕሉ ውዕል ሰላም’ውን እዞም ሓይልታት ካብ ትግራይ ንክወፅኡ ዝጠልብ’ዩ ኢሉ። እዚ ስምምዕ ሰላም ክኽበርን ተግባራዊ ክኸውንን ከምኡ’ውን ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝፈፀሙ ተሓተትቲ ክኾኑ፡ “ማዕቀብ ንምግባር ኣይንወላወልን” ክብል ገሊጹ። ህወሓት፡ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ይፍፅሞ ንዘሎ ግፍዒ ደው ከብልን ካብ ትግራይ ንክወፅእን ፀዊዑ። ህወሓት ነዚ መግለፂ፡ ዕለተ ቀዳም 10 ሕዳር 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ዘውፅኦ ኰይኑ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተቖፂሩ ዘይውዳእ ግፍዒ ይፍፅም ከምዘሎ ገሊፁ። ሰብመዚ ኤርትራን ነቲ ክስታት ክነጽግዎ ጸኒሖም'ዮም። ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣሜሪካ፣ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣውሮጳን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተሪር ስጉምቲ ክወስዱ ፀዊዑ። ኣብቲ ኣብ ፕሪቶርያን ናይሮቢን ዝተገበረ ስምምዕ ንትግራይ ወኪሎም ካብ መንጎ ዝተደራደሩ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤን ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳን ናብ መቐለ ድሕሪ ምምላሶም፡ ዕለተ ሰንበት 11 ሕዳር 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽ ትግራይ ቀሪቦም ወግዓዊ መግለፂ ሂቦም። ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ፡ እቲ ድርድር ንልሙድ ዓለምለኸ ረቛሒ ድርድር ሰላም ዝሰሓተ ከምዝነበረ ብምግላፅ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ብምቁፅፃር ውፅኢት እቲ ድርድር ንምቕያር ዘይተዓወተ ፃዕሪ ከምዝገበረ ሓቢሩ። እቶም ተደራደርቲ፡ ብፅኑዕ ዓቕሚ ምክልኻል ሓይልታት ትግራይን ፀቕጢ ማሕበረሰብ ዓለምን ከም ዝኾነ እቲ ጀናራል ገሊፁ። ብመሰረት እዚ ድማ ዋላ’ኳ ኩሎም ድሌታቶም እንተዘይተማልኡ፡ “መሰረታዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ንዕላምኦም ምዕዋት” ከምዝኸኣሉ ተዛሪቡ። ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብ ጉዳይ እቲ ስምምዕ ሰላም ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ከም ዝተዘራረበ ገሊፁ። ብዛዕባ እዚ ዝርርብ ካብ ቤት-ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኰነ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተብሃለ ነገር የለን። ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኩሎም ሓይልታት ወፃኢ ካብ ትግራይ ክወፅኡ፡ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ’ውን ምስዚ ብሓደ ክፍፀም፤ ዝተበፅሐ ስምምዕ ብቕልጡፍ ተግባራዊ ክኸውንን ኣገንዚቡ። ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ብመሰረት እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን፡ ሓይልታት ትግራይ ይዋግእሎም ካብ ዝነበሩ ከባብታት ናይ ምውፃእ ከይዲ ከምዝጅመር ገሊፁ። ብዛዕባ እቲ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ንሓይልታት ትግራይ ናይ ምርዳእ ስራሕቲ ይዛዘሙ ከምዘለዉ ብምግላፅ፡ ሓይልታት ትግራይ ሕዚ ካብ ዝተቖፃፀርዎ ከባብታት ምውፃእ ከምዝጅምሩ ሓቢሩ። “ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ’ዩ፤ ካብዚ ንደሓር ‘ዲስኢንጌጅ’ ምግባር፣ እቲ ሰራዊት ተጓዒዙ ናብ ትኽክለኛ ቦታ ክኣቱ ናይ ምግባር ስራሕቲ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰለስተ መዓልታት ክጅመር’ዩ” ኢሉ። ጀነራል ታደሰ፡ “እቲ ሓደ ርኡይ ለውጢ ልውውጥ ተኹሲ ደው ምባሉ እዩ። በዚ ድማ እቲ ህዝቢ ሕጉስ’ዩ . . . እቲ ሰራዊት ሕጉስ እዩ። ክታኾስ ዝፀንሐ ሰራዊት ኣብ ሓደ ሓደ ከባብታት ብኣካል ተራኺቡ ሓሳብ ዝለዋወጠሉ ኩነታት ተፈጢሩ እዩ” ክብል ተዛሪቡ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ እቲ ኵናት ምስ ተወልዐ ናብ ትግራይ ተቛሪፁ ዝነበረ በረራ ኣየር ንምጅማር ዘኽእሎ ሙሉእ ምድላዋቱ ከምዝዛዘመ ንቢቢሲ ገሊፁ። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ዘፈር ንግዲ እቲ መገዲ ኣየር ኣይተ ለማ ያደቻ፡ ድሕሪ እቲ ስምምዕ ኣገልግሎት በረራታት ንግዲ እቲ መገዲ ኣየር ንምጅማር ሙሉእ ምድላዋቱ ከምዘጻፈፈ ተዛሪቡ። እቲ ሓላፊ፡ እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ትግራይ ዝሰርሐሉ “ኩነታት እናተስተኻኸለ ምምፅኡ” ብምሕባር፡ በረራታት ንምጅማር ካብ ኣካላት ፀጥታን ሲቪል ኣቪየሽንን ናይ መወዳእታ ፍቓድ ይፅበ ኣሎ ኢሉ። ብፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ዝምራሕ ልኡኽ ጉጅለ ሓሙስ 15 ሕዳር 15 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ናብ ርእሰከተማ ትግራይ መቐለ ብምብፃሕ ምስ መራሕቲ ህወሓት ተዘራሪቡ። መራሒ ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ መቐለ ኣሉላ ኣባነጋ ተረኺቡ ነቲ ልኡኽ ጉጅለ ናይ እንኳዕ ደሓን መፃእኩም ኣቀባብላ ገይርሉ’ዩ። ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦባሳንጆ፡ ዝኾነ ሰብ “ሓይልታት ወፃኢ ኣብዛ ሃገር ምህላዎም ክቕበል የብሉን” ኢሉ። ኣብቲ ስምምዕ ብወገን ትግራይ ካብ መንጎ ዝተደራደሩ ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው ኣብቲ ዕለት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዕላማ እቲ ምብፃሕ ፍሉይ ልኡኽ ከም ሸምገልቲ ናይቲ ውዕል ኣፈፃፅማ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዝርከብ ንምርግጋፅ ከምዝኾነ ገሊፁ። እቲ ምብፃሕ ንቡር ኣካይዳ ሸምገልቲ ከምዝኾነ ዝገልጽ ኣምባሳደር ወንድሙ “ከም ሸምገልቲ ናይቲ ውዕል ኣፈጻጽማ ስታተስ ከመይ እዩ? እንታይ ፀገም ኣሎ? እንታይ ክንሕግዘኩም ንምባል እዩ” ኢሉ። እቶም ሸምገልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተወከልቲ ፌደራል መንግስቲ’ውን ከምዝተዘራረቡ ወሲኹ ሓቢሩ። ኣብዚ ስምምዕ ቀንዲ ፀገም ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ይፍፅሞ ዘሎ መጠነ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ግፍዕን ምዃኑ ነቲ ልኡኽ ጉጅለ ኣረዲእና ኢና ድማ ኢሉ። ኣብ ትግራይ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተቛሪፆም ዝፀንሑ ኣገልግሎታት ቴሌኮም ንምጅማር ስራሕቲ ፅገና ይዓምም ከምዘሎ ንቢቢሲ ገሊፁ። ኣብ ኢትዮ-ቴሌኮም ቺፍ ኮምዩኒኬሽን ኦፊሰር ኣይተ መሳይ ውብሸት፡ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል እቲ ተቛሪፁ ዝፀንሐ ኣገልግሎት ንምጅማር ይረባረቡ እዮም ዘለዉ ክብል ተዛሪቡ። “ንትሕተ ቅርፂ መርበባት መሊስካ ምህናፅን ኣገልግሎታት ዳግም ከም ዝጅምሩ ምግባርን ምርብራብ ይግበር ኣሎ። ጕጅለታትና ኣብ ስራሕ እዮም ዘለዉ። እቲ ኔትዎርክ ግና ብዝተፈላለዩ ነገራት ስለዝድረኽ፡ ክፅገኑ ዘለዎም ነገራት ከምኡ ድማ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብዝምልከት ክስርሑ ዝግባኦም ነገራት'ኳ እንተሃለዉ፡ ብዘሎ ኣማራፂ ነቲ ኣገልግሎት መሊስና ንምጅማር ኣብ ፃዕሪ ኢና ንርከብ። ኣብዚ እዋን ኣብ ሽረን ከባቢኣን ኢና ንሰርሕ ዘለና። ኣብ ካልኦት እውን ሰፋሕቲ ስርሓት ይስርሑ እዮም ዘለዉ” ኢሉ። ብዛዕባ እቶም ዝስርሑ ዘለዉ ዕማማት ብዝምልከት ኣብ ቀረባ እዋን ብዝርዝር ከምዘፍልጡ ዝተዛረበ ኣቶ መሳይ፡ ዝሐሸ ኣገልግሎት ንምሃብ ብዝብል፡ ምዝርጋሕ ፋይበር ኣብ ዝጠልቡ ስርሓት ኣድሂቦም ይሰርሑ ከም ዘለዉ ሓቢሩ። ብዛዕባ ምፍታሕ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይን ኣተገባብራኡን ዝምልከት መደብ ንከውፅእ ዝቘመ ሓባራዊ ኮሚቴ ውጥንን ቴክኒክን መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ካብ 22 ሕዳር 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ጀሚሩ ኣብ ከተማ ሽረ ኣኼባ የካይድ ምህላዉ ቤት-ፅሕፈት ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣፍሊጡ። ቀንዲ ዛዕባ እቲ ኣኼባ፡ \"ምፍታሕ ዕጥቅን ምስኡ ዝዛመዱ ዛዕባታት\" ዝርዝር ኣፈፃፅማ መደባት ንምቕማጥ ከምዝዀነ ዝሓበረ እቲ መግለፂ፡ \"ዝርዝር ውጥን ኣፈፃፅማ ምፍታሕ ዕጥቂ 22 ሕዳር ክቐርብ ይግባኦ\" ከም ዝነበረ ጠቒሱ'ሎ። እንተዀነ፡ እቲ ሓባራዊ ኮሚቴ ኣብ ዝመፅእ ሒደት መዓልታት ዕማሙ ዛዚሙ ነቲ ውጥን ከምዘዳሉ እቲ መግለፂ የመልክት።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c03nkd2yzr5o"} {"headline":"መራሒ ክልል ትግራይ: ዶ\/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል እንታይ ኢሉ ?","content":"መራሒ ክልል ትግራይ፡ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል [ዶ\/ር] ትማሊ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ጉዳይ ሰላማዊ ዘተ፡ ኩነታት ሰብኣዊ ረድኤትን ሰራዊት ትግራይን ካልኦት እዋናዊ ዛዕባታትን ኣልዒሉ መብርሂ ሂቡ። ሳልሳይ ዙር ረድኤት ናብ ትግራይ ከምዝኣተወ፡ ብሓፈሻ ምምሕያሻት እንተሎ’ኳ፡ “ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ኣዋርሕ ክኣቱ ካብ ዝግበኦ ናይ ሓደ ወርሒ ቀለብ ጥራይ” ከምዝኾነ እቲ መራሒ ተዛሪቡ። ዶ\/ር ደብረጽዮን ከምዝበሎ፡ እቲ 79 ሚኢታዊት ኣብ መቐለ ዝተራገፈ ረድኤት፡ ናብቲ ሓገዝ ዝጽበ ህዝቢ ምብጻሕ ዝተኽኣለ ኰይኑ፡ እቲ ዝተረፈ ግና ብሰንኪ ሕፅረት ነዳዲ ዛጊድ ምክፍፋል ከምዘይተኽኣለ ወሲኹ ሓቢሩ። በዚ ምኽንያት ካብ መቐለ ርሕቕ ኢሎም ዝርከቡ ከባብታ ደቡብን ማእኸለይ ትግራይን ረድኤት ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ ገሊፁ። ብዩኤስኣይዲ ዝምወል፡ ወርሓዊ 2 ሚልዮን ሊትሮ ነዳዲ ናብ ትግራይ ንክኣቱ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ውድብ ምግቢ ዓለምን ስምምዕነት እንተፈረሙ’ኳ፡ 'ብቢሮክራስያዊ መሕነቖታት' ይግበር ከምዘሎ ተዛሪቡ። ብሓፈሻ፡ መጠን ረድኤት ልዕሊ እዚ ክውስኽ ከምዝጠልቡ፡ እንተዀነ ካብ ወገን መንግስቲ ካብቲ ዝተሓስበ’ውን ክጎድል ድሌት ከምዘሎ ተዛሪቡ። ኣብ ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ሓላፊ ውድብ መግቢ ዓለም፡ ኤድርያን ቫንዳክናብ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ዝመርሖ ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ከብጽሕ ስለዝኸኣለ እቲ ኣብ ትግራይ ኣንጸላልዩ ዝነበረ ሓደጋ ጥምየት ምዕጋት ከምዝከኣል ሓቢሩ ነይሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ብወገኑ፡ ኣብ ትግራይ ሓደጋ ጥምየት (ዓጸቦ) ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ጌጋ ምዃኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ ነይሩ። ዶ\/ር ደብረጽዮን ግን ” ኣብ ትግራይ ጥሜት ዓጊትናዮ ኢና” ዝበሎ: ጌጋ ምዃኑን፡ ክእረም ከምዝግበኦን ኣመልኪቱ። “ዝኹሉ ረድኤት ይኣቱ ኣሎ እናተብሃለ ስም መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምህዳስን ደገፍ ክረክብ ንምግባርን ዝዓለም እዩ” ክብል ድማ ነቒፉ። ኣብ ትግራይ ዝዓበየ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር፡ ሓዊሱ ኣብዝሓ ማእከላት ጥዕና ትግራይ ዝዀነ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክህባሉ ኣብ ዘይኽእላ ደረጃ ዝርከባ ምዃነን ፀብፃባት ይገልፁ። ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ሕማማትን ሰኣን መድሓኒትን ዛጊድ ኣሽሓት ከምዝሃለቑ’ውን ይዝረብ። ዶ\/ር ደብረጽዮን፡ ካብቲ ናብ ትግራይ ክኣቱ ዝግበኦ መድሓኒት፡ ዛጊት 5 ሚኢታዊ ጥራይ ከምዝኣተወ ተዛሪቡ። “ሕዚ’ውን ዕጽዋን ክባን ከም ስትራተጂ፡ ይጥቀመሉ ኣለዉ። ጥሜት ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀምሉ ኣለዉ፤ እዚ ዘሕትት ገበን እዩ ” ኢሉ። መራሒ እቲ ክልል ደብረጽዮን፡ “ሕዚ’ውን ቀንዲ ምንጪ እቲ ቅልውላው ኣይተፈትሐን” ኢሉ። መንግስተቲ ኢትዮጵያ፡ ነዚ ክስታት ኣይቕበሎን። ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ካልኦት ዓለም ከኸ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ድማ፡ ሓያሎ ኣቑሑን መድሓኒትን ሕክምና ናብ ከተማ መቐለ ከምዘመላለሱ እዮም ዝገልጹ። ኣብቲ ለዝብ፡ \"ዕጥቂ ሰራዊትኩም ኣፍትሑ” ዝብል ሕቶ ክለዓል ከምዝኽእል ብምእንፋት፡ እንተኾነ ተቐባልነት ከምዘይህልዎ ዶ\/ር ደብረጽዮን ተዛሪቡ። “በታ ሕገ መንግስቲ መሰረት እንተዀይና ክጭፍጭፉና ኣይምነበሮምን። ናይ ደገ ሓይሊ ከይተረፈ ዓዲሞም ጨፍጪፎምና እዮም። ከቢድ በደል እዩ ተፈፂሙና። ሕጊ ዝጠሓሱ ንሳቶም እዮም። ንሕና ድማ ናይ ምክልኻል ግቡእ ኣለና።ኣብ ዝኾነ ዓለም ሱቕ ኢልካ ሙት ዝብል የለን” ኢሉ። ካብ ወፅዓን ጨፍጫፍን ዝመፅአ እምበር ስሩዕ ሰራዊት ከምዘይኰነ ድማ ሓቢሩ። “ሰራዊት ኢትዮጵያ እንተኾነ ንዓና ጓና እዩ” ብምባል ኣባላት እቲ ሰራዊት ዝዀኑ ተወለድቲ ትግራይ፡  ብዝተፈላለዩ መገዲ ክቕተሉን ተኣሲሮም ክሳቐዩን ይግበር ከምዘሉ ወሲኹ ከሲሱ። መንግስቲ ፌዴራል፡ ገለ ወተሃደራዊ ኣመራርሓ ምስ ሓይልታት ትግራይ ወጊኖም ክንቀሳቐሱ ረኺበዮም ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝወሰደ እዩ ዝገልጽ። ሕዚ’ውን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ተወለድቲ ኣባላት እቲ ሰራዊት ዝነበሩ ኣብ ቀይዲ ከምዝርከቡ ጸብጻባት ይሕብሩ። ዶክተር ደብረጽዮን ብቐንዱ ዝጠቐሶ ምዕራብ ትግራይ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝወለዐ ኲናት፡ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኢትዮጵያን ይርከብ። ክልል ኣምሓራ ሕቶ ይግበአኒ ዘልዕለሉ ሰፊሕ መሬት እዩ። ገለ ሓይልታት ኤርትራ’ውን ኣብቲ ከባቢ ከምዝርከቡ ዝግለፅ ኰይኑ፡ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን እቲ ሰራዊት ካብቲ ከባቢ ክወፅኡ ክሓቱ ፀኒሖም እዮም። መንግስቲ ኤርትራ እዚ ክስታት ብምልከት ዝበሎ የለን። እንተኾነ፡ “ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ወራር ክፍጽም ይዳሎ ኣሎ” ዝብሉ ክስታት ከስምዕ ፀኒሑ ኣሎ። ደብረጽዮን፡ “ምዕራብ ትግራይ ናይ ህዝቢ ትግራይ እዩ። ናይ መንግስቲ ትግራይ እዩ። ኣረክብ ኢና ንብል ዘለና። ዝተመዛበለ ህዝብና’ውን ናብ ቦትኡ ክምለስ ኣለዎ። ንቐደም ፖለቲካ ዘየድልዮ ነገራት ይሰራሕ ኢና ንብል ዘለና፤ ናብቲ ዘተ ዘሊልና ኣይኮነን ንኣቱ” ኢሉ። ዶ\/ር ደብረጽዮን፡ እቲ ዘተ ክዕወት ክውገዱ ዝግባእ ጉዳያት ዝበሎም፡ ብፍላይ ምስ ጉዳይ ምዕራብ ትግራይን ህዝባዊ ኣገልግሎት ምጅማርን ዝምልከት ዝዀነ፡ምምሕያሽ ከምዘየለ እዩ ተዛሪቡ። “ቅድሚ ናብ ዘተ ምእታውና ክምለሱ ዝግበኦም ነገራት ኣለዉ። እታ ሰብኣዊ ሓገዝ ሓንቲ ቁልፊ እያ። ብዘይ ዓንቀፍቀፍ ክኣቱ ኣለዎ። ናይ ህዝቢ ኣገልግሎታት ዝዓፀዎም ይልቀቆም። ነዚ ዘተ ኣየድልዮን”። ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ “እቲ ጎንጺ መበገሲኡ ፖለቲካዊ እዩ፤ ዕልባት ዝረክብ ድማ ብፖለቲካዊ ዘተ እዩ” እንተበለ’ኳ፡ ብፍላይ እቲ ንሱ ‘ጸላእቲ’ ዝብሎም ሓይልታት ደገ ካብ ዝተቖፀፀርዎም ግዝኣታት ትግራይ ክወፅኡ ሓቲቱ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ኣስታት 20 ኣዋርሕ ኣቑፂሩ ዘሎ ደማዊ ኲናት ሰለማዊ ፍታሕ ክረክብ ይኸውን ዝብል ተስፋ ሰፊኑ ኣሎ። 'ግዜ መዐደጊ እዩ' ዝብሉ ጥርጣረታት ድማ ኣለዉ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ክልቲኦም ወገናት ተላዛብቲ ጉጅለታት መስሪቶም ከምዘለዉ ኣፍሊጦም ኣለዉ። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃእን ደመቀ መኮነን፡ ዝምራሕ  ኮሚተ ዝተጣየሰ ዀይኑ፡ መንነት እቶም ኣባላት’ውን ዕላዊ ተገይሩ እዩ። መራሕቲ ትግራይ፡ ተዛታዪ ጉጅለ ከምዘቖሙ ዘፍለጡ ኮይኖም፡ መንነት ኣባላት እቲ ጉጅለ ዛጊድ ኣይነፀሩን። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ዘተ ብሕብረት ኣፍሪቃ ክምእዘን እዩ ዝደሊ፤ ብኣንፃሩ መራሕቲ ትግራይ ብመንግስቲ ኬንያ መንጎኝነት ክካየድ እዮም ዝመርፁ። ኣብ ርእሲ እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ዛዕባታት፡ እዚ ኣፈላላይ ንባዕሉ’ውን፡  ብኣግኡ ካልእ ዕንቅፋት እቲ ሰለማዊ ዘተ ከይኸውን ይስጋእ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c51eezj148xo"} {"headline":"ድምጺ ወድኺ ይርበሸኒ'ሎ' ትበሃል ዝነበረት ኣደ ብሓዊ ተቓጺላ ሞይታ","content":"ብቐዳም ኣብ ሜክሲኮ፡ ኣካላታ ብኣልኮል ጠልቅዩ ብሓዊ ከም እትቃጸል ዝተገብረት ጓለንስተይቲ ሞይታ። እዛ ጓል 35 ዓመት ዝዀነት ሉዝ ራቄል ፓዲላ፡ 90 ሚእታዊት ሰብነታ ብሓዊ ስለ ዝተቓጸለ ብህይወት ክትሰርር ኣይከኣለትን። ንሳ፡ ቅድሚ ኣዋርሕ፡ 'ምፍርራሕ ይበጽሓኒ' ኣሎ ብምባል ንሰብ መዚ ሓቢራ'ኳ እንተጸንሐት ውሕስነት ኣይረኸበት፤ እዚ ጭካነ ዝመልኦ ቅትለት ከኣ ኣብታ ሃገር ቍጥዐ ኣልዒሉ ኣሎ። እቲ ጉዳይ፡ ብሰንኪ ጾታ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ዝፍጸም ቅትለት [ፈሚሳይድ] ክኸውን ይኽእል እዩ ብዝብል፡ መርመራ ይግበረሉ ኣሎ። መሰኻኽር ዓቃቢ ሕጊ፡ ሰለስተ ደቂ ተባዕትዮን ሓንቲ ጓለንስተይቲን ኣብ ልዕሊ እታ ግዳይ መጥቃዕቲ ፈጺሞም፡ ኢሎም ኣለው። ፓዲላ፡ ኣደ ኦቲዝም ዘለዎ ወዲ 11 ዓመት ቈልዓ ኰይና፡ ኣባል ‘I care for Mexico’ ዝተባህለ ፍሉይ ድልየት ዘለዎም ሰባት ዝሕግዝ ጕጅለ እያ ነይራ። እቲ ጉጅለ ድማ፡ እታ ግዳይ፡ 'ድምጺ ወድኺ ይርብሸኒ ኣሎ' ካብ ዝብል ጐረቤት ምፍርራሕ ክወርዳ ከም ዝጸንሐ ሓቢሩ። ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ኣብ መንደቕ ገዛኣ “ብህይወት እንከለኺ ከቃጽለኪ’የ” ዝብል ዝረኸበቶ ጽሑፋትን ስእልታትን ኣብ ትዊተር ጠቂዓ ነይራ። “ጐዳእየይ ኣብ ከተማ ከም ድላዩ እናተንቀሳቐሰ፡ ምናልባት’ውን ካልእ ጉድኣት እናውረደ፣ ኣነ ከኣ ኣብ ልዕለይን ኣብ ልዕሊ ቤተሰበይን ሓደጋ’ዶ ይወርደና ይኸውን ብዝብል ስግኣት ንኽንደይ ዝኣክል እዋን ብፍርሒ ከም ዝነብር ኣይፈልጥን” ክትብል ጽሒፋ ነይራ። ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ፡ ፓዲላ ዘፈራርሓ ጎረቤት ከም ዘሎን ኣካላዊ መጕዳእቲ ከውርደላ ከም ዝኽእልን ብምግላጽ፡ ሪፖርት ገይራ ምንባራ ኣረጋጊጹ። እቲ ጐረቤት ናብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ መጺኡ እንተነበረ’ውን፡ ምስቲ ኣብ ልዕሊ እታ ግዳይ ዝተፈጸመ ገበን ዘተኣሳስሮ መረዳእታ ከም ዘይተረኽበ’ውን ወሲኹ ሓቢሩ። እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ግን፡ እቲ ጐረቤት ካብቶም ኣርባዕተ ሰባት ሓደ ከም ዝዀነ ኣረጋጊጾም’ዮም። ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ድማ፡ ፓዲላ በዓል ቤታ ካብ ዝነበረ ውልቀሰብ ዘቤታዊ ዓመጻት ይወርዳ ነይሩ ኢለን። እቲ ጉዳይ ሕጂ’ውን መርመራ ዝካየደሉ ዘሎ ኰይኑ፡ እቲ ህጻን ምስ ኣዝማዱ ክጸንሕ ከም ዝተብረ ዓቃቢ ሕጊ ገሊጹ። ኣብታ መክሲኮ፡ ካብ ቀረባ ዓመታት ንነጀው ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ቅትለት ክበራኸት እንከሎ፡ ኣብ 2021 ጥራይ 1004 ደቂ ኣንስትዮ ተጠቒዐን።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cg37jje1811o"} {"headline":"ኣብ ትግራይ ሓድሽ ግፍዕታት ከይፍፀም ሻቕሎት ተፈጢሩ ኣሎ' - ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል","content":"እቲ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ ተጣሒሱ ኲናት ትግራይ ዳግማይ ድሕሪ ምውልዑ፡ ተጓሃሂሩ ይቕጽል ብምህላው፡ ኣብታ ክልል ዝርከቡ ሲቪላውያን ግዳይ መጥቃዕትታት ከይኮኑ ሰጊኦም ከምዘለው ኣምነስቲ ሓቢሩ። እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ነዚ ዝገለጸ፡ እቶም ተዋጋእቲ ወገናት ንሰላማውያን ግዳይ ከይገብሩ ንምጽዋዕ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ እዩ። ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሲቪላውያን፡ መቕተልቲ፡ ጾታዊ ዓመጽን ካልእን ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊኦም ከይፍጸም ሰጊኦም ከምዝርከቡ’ውን እቲ ኣህጉራዊ ተሓላቒ መሰላት ኣፍሊጡ። ኣብቲ ትካል ዳይሬክተር ምብራቕን ደቡባውን ኣፍሪቃ፡ ሙሌያ ምዋንያዳ “ሲቪላት ተጋሩ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ክሳብ ሰነ 2021 ነዞም ከባብታት ተቖፃፂሮምሉ ኣብ ዝነበሩእዋን ዝተፈፀሙ ዘይሕጋዊ ቅትለት፣ ፆታዊ ዓመፅን መጠነ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን፡ እንደገና ሕዚ ኣብ ልዕኦም ክፍፀሙ ይኽእሉ እዮም ኣብ ዝብል ሻቕሎት እዮም ዝርከቡ” ምባላ መርበብ ሓበሬታ እቲ ትካል ጸብጺቡ። እቲ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ተነቢሩ ዝፀንሐ ምቁራፅ ተፃብኦታት ድሕሪ ምፍራሱ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ሓያል ኵናት ይካየድ ኣሎ። ብሰሉስ፡ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱ ሰራዊት ሰራዊት ኤርትራ፣ ሚሊሻታት ፋኖን ኣምሓራን ነታ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ እትርከብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ተቖፃፂሮም እዮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ከተማ ሽረ ብተወሳኺ፡ ከተማታት ኣላማጣን ኮረምን እውን ከም ዝተቖፃፀረ ይገልፅ። መራሕቲ ትግራይ ግና፡ ብረቡዕ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ከተማ ኮረም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ከም ትርከብ'ዮም ገሊጾም ኔሮም። ኣብ ወርሒ ነሓሰን መስከረምን ኣብ መቐለን ዓዲ ዳዕሮን ብዝተፈፀሙ ተደጋጋሚ ናይ ኣየር መጥቃዕትታት ህፃናት ዝርከብዎም ኣማኢት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉ፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ጸብጻቡ ገሊፁ። ካብ 6 ክሳብ 12 መስከረም 2022 ኣብ ዘሎ እዋን፡ እቲ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ፌደራል ተሰሊፉ ይዋጋእ ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ከተማ ሸራሮ ን 40 ሰባት ከም ዝረሸነ ኣምነስቲ ኣፍሊጡ። ካብዚኦም ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝርከብዎም ድማ ሓቢሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ከተማታት ውግእ እንከይገበርኩ እየ ነተን ከተማታት ተቖፃፂረየን፡ ጉድኣት ዜጋታት ንምንካይ እውን እፅዕር ኣለኹ እኳ እንተበለ፡ ፀብፃብ እዚ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ግና፡ መንግስቲ ነዚ ኣብ ግምት ከም ዘየእተወ ይኸስስ። ወተሃደራውን ሲቪላትን ሰብመዚ፡ ብሓይልታቶም ዝፍፀም ገበናት ኵናት ናይ ምክልኻልን ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብን ግቡእ ከም ዘለዎም ክግንዘቡ ይግባእ ዝበለ ኣምነስቲ፡ “ነዚ ተግባራዊ ዘይምግባር ናይዞም ገበናት ተሓባበርቲ’ዩ ዝገብሮም” ኢሉ። ኣብዚ ኵናት ግህሰታት ዝፈፀሙ ሓይልታት ፀጥታ ዘይምቕፃዕ፡ ዝያዳ ገበናት ክፍፅሙ ከምዘተባብዕ ዝሓበረ እዚ ትካል፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝሰነዶም ገበናት ኵናትን ኣንፃር ሰብኣውነት ዝፍፀሙ ገበናትን፡ ዳግማይ ክፍፀሙ ክፍቀድ ከም ዘይግባእ ኣፍሊጡ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ መግለፂኡ፡ ሰብመዚ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ገበናት ኵናትን ዝተሳተፉ ሰራዊት ኤርትራን ሚሊሻታት ኣምሓራን ክእግዱን ብህፁፅ ምርመራ ክካየድን ከረጋግፁ ይግባእ፡ ኢሉ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ሰብመዚ ኢትዮጵያ፡ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይ ዝኾነ ዕንቅፋት ክኣቱ ክፈቕዱ ፀዊዑ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተቖፃፀሮም ከባቢታት ምስ ትካላት ረድኤት ብምትሕብባር፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ክባጻሕ ከም ዝገብር ክገልጽ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ኣገልገሎታት ስልኪ፣ ባንኪ፣ መብራህትን ሕክምናን  ተቛሪፆም ብምህላዎም ሓበሬታታት ምርካብ ኣጸጋሚ እዩ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1j7pl21dqo"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈፀሙ ገበናት ኵናት ዘፃርይ ኮምሽን ንፈለማ እዋን ናብታ ሃገር ተጓዒዙ","content":"ኣብ ኵናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ንዝተፈፀሙ ገበናት ኵናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ንምፅራይ ዝቖመ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ንፈለማ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ። እቲ ሰለስተ ክኢላታት ዘለዎ ጉጅለ ካብ 25 ሓምለ ክሳብ 30 ሓምለ 2022  ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ከምዝገብር ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ኮምሽን  ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2021 ብወግዒ ካብ ዝምስረት ንነዘ ኣብ ኢትዮጵያ ምብፃሕ እንተካይድ እዚ ንፈለማ እዋን እዩ። ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ንምብፃሕ እቲ ኮምሽን ኣመልኪቱ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ እቲ ኮምሽን ኣብ ዘካይዶ ምርመራ ምስ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ናይ ግድን ክዛተ ኣለዎ ብምባል፡ መንግስቲ ትግራይ ነቲ ኮምሽን ኣድላይ ዘበለ ምትሕብባር ንምግባር ሓይሊ ዕማም ከምዘዳለወ ኣፍሊጡ። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ እዩ ነቲ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ስዒቡ ዝተፈፀሙ ግህሰታት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ መሰል፣ ክስታት ፆታዊ ዓመፅ፣ ሕግታት ስደተኛታትን ካልኦት ግህሰታትን ዳግማይ ምሉእን ዘይሻራውን ምርመራ ዘካይድ ናይ ምርምራ ጉጅለ ኣጣይሹ። ኣብቲ ኵናት ዝተሳተፉ ብሓይልታት ፀጥታ ክልላት ኢትዮጵያ ዝድገፍ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ትግራይን፡ ጃምላዊ ቅትለትን ፆታዊ ዓመፅን ዝርከቦ ከቢድ ምግሃስ መሰላት ፈፂሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ። እቲ ብኬንያዊት ጠበቓን ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰልን ካሪ ቤቲ ሙሩንጊ ዝምራሕ ኮምሽን ምርመራ፡ ንኣብ ዩኒቨርሲቲ ሚቺጋን ክፍሊ ትምህርቲ ሕጊ ፕሮፌሰር ዝኾነ ኣሜሪካዊ ስቲቨን ራትነርን ስሪላንካዊት ራድሂካ ኮማራስዋሚን ሒዙ እዩ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ምብፃሕ ከካይድ። ኣባላት እቲ ኮምሽን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ምስ ተዛተይቲ ከምዝላዘቡን፡ 30 ሓምለ ከኣ ብዛዕባ ምብፅሖም ወግዓዊ መግለፂ ከምዝህቡን ተፈሊጡ ኣሎ። ቅድም ክብል ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብሓባር ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ተዛሚዱ ዝተፈፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ዝምልከት ዘካየድዎ ምርመራ ወግዓዊ ጌሮም ኔሮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንውፅኢት እቲ ምርመራ ብእወንታ ዝተቐበሎ ኮይኑ፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብቲ ምርመራ ክሳተፍ ከምዘይብሉ ክገልፁ ዝፀንሑ መራሕቲ ትግራይ ግና ነፂጎምዎ እዮም። ነዚ ስዒቡ ድማ እቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ጀነቫ ዝመደበሩ ባይቶ፡ ኣብቲ ኵናት ንዝተፈፀሙ ግህሰታት ዝምርምር ሓድሽ ዓለምለኻዊ ኮምሽን ክጣየሽ ወሲኑ። ብመሰረት እዚ ተጣይሹ ዘሎ ሓድሽ ኮምሽን፡ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ተዛሚዱ ዝተፈፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ዳግማይ ክፃረዩ እዮም። ኣብቲ እዋን በቲ ተፈፂሙ ዝብሃል ከቢድ ምግሃስ መሰላት ዝኽሰሳ ኢትዮጵያን ኣባል ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝኾነት ኤርትራን ንምምስራት ናይቲ ዳግማይ ምርመራ ዘካይድ ሓድሽ ኮሚሽን፡ ካልእ \"ፖለቲካዊ ሃቐነ\" ኣለዎ ብምባል ከምዝተቓወምኦ ይፍለጥ። እንተኾነ እቲ ባይቶ፡ እዚ ሓድሽ ኮሚሽን ነቲ ክካየድ ዝፀንሐ ሓባራዊ ምርመራ \"ዝምልእን\" ተሓታትነት ክህሉ ዝገብርን ምዃኑ'ዩ ኣነፂሩ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cnl11848l95o"} {"headline":"ብድቁሳ ጾታዊ ርክብ ትፍጽም እያ ብዝብል፡ ናይ ዓመጽ ክሰይ ተሰሪዙ’","content":"ጄድ ማክሮሰን-ኔተርኮት ዝጀመረቶ ናይ ዓመጽ ክሲ፡ \"ሴክስሶምንያ\" ዝበሃል ሳሕቲ ዝርአ ኵነታት ከምዘጋጠማ ስለዝገለጸት፡ ብኣገልግሎት ኣኽባር ሕጊ (ሲፒኤስ) እቲ ክሲ ክቋረጽ ተገይሩ። ኣኽባር ሕጊ፡ ብሰንኪ እቲ ኵነታት ፍርዲ ክህብ ከምዝኽእል እምነት ኣይነበሮን። ነቲ ውሳነ ዝተቓወመት ጄድ ግን ጉዳያ ዳግማይ ክምርመር ኣዋርሕ ኣሕሊፋ። ኣኽባር ሕጊ ግን ሕጂ፡ እቲ ጉዳይ ናብ ፍርዲ ክቐርብ ዘይምግባሩ ጌጋ ከምዝነበረ ኣሚኑ ይቕሬታ ሓቲቱዋ ኣሎ። ግን ኣብ ምንታይ እዩ ጌጋ ተፈጺሙ?  እቲ ፍጻመታት ዝተኸታተለ ቢቢሲ፡ ጉዳይ ጄድ ከምዚ ዝስዕብ የቕርቦ። ኣብ 2017 ሰንበት ምሸት እዩ ነይሩ። ኣብ ደቡባዊ ለንደን ኣብ ዝርከብ ገዛ ኣብ ሶፋ ደቂሳ ዝነበረት ጄድ ክትበራበር እንከላ ንገዛእ ርእሳ ፍርቂ ነብሳ ዕርቃና ወጺኣ፡ ስልማት ክሳዳ ተበቲኹ፡ ኣብ መሬት ወዲቝ ረኸበቶ። እታ ጓል 24 ዓመት መንእሰይ፡ ገለ ናብ ውሽጣ ሰሪጹ ከም ዝነበረ ጽዑቕ ስምዒት ተሰሚዕዋ፡ ብድቁሳ ከም ዝተዓመጸት ሓሲባ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት እቲ ከም ዝዓመጻ ዝተኸሰሰ ሰብኣይ ናብ ፍርዲ ክቐርብ ሒደት መዓልታት ምስ ተረፎ፡ ጠበቓታት ኣገልግሎት ኣኽባር ሕጊ - ሲፒኤስ - ኣብ መደበር ፖሊስ ንህጹጽ ኣኼባ ጸዊዖምዋ። ጉዳያ ይስረዝ እዩ ነይሩ። ጠበቓ ሲፒኤስ፡ ክልተ ክኢላታት ድቃስ፡ ኣብቲ ጉዳያ ርእይቶኦም ከም ዝሃቡን ጄድ ሓደ ፍጻመ ‘ሴክስሶምንያ’ ኣጋጢምዋ ንቕሕቲን ፍቓደኛን መሲላ ተራእያ ክትከውን ከምትኽእል ገሊጾም። ‘ሴክስሶምንያ’ ብሕክምና ኣፍልጦ ዘለዎ ጸገም ኰይኑ ሓደ ካብቶም 'ፓራሶምንያ' ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣብ እዋን ድቃስ ዘጋጥሙ ዘይተለምዱ ስምዒታትን ባህርያትን እዩ። ንኣብነት ብድቁሶም ተንሲኦም ዝዛወሩ ሰባት ኣለዉ። ‘ሴክስሶምንያ’ ድማ ነቶም ብድቁሶም ከም ግብረ-ሕቡእ፡ ጾታዊ ምንቅስቓሳት፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ወይ ጾታዊ ርክብ ኣብ ዝኣመሰሉ ጾታዊ ባህርያት ዝዋፈሩ ሰባት ይገልጽ። እዚ ኵነታት ዘለዎም ሰባት ጾታዊ ባህርያት ኣብ ዝፍጽሙሉ እዋን ኣዒንቶም ክኸፍቱን ጾታዊ ድምጽታት ከስምዑን ዝኽእሉ'ኳ እንተዀኑ፡ ካብ ድቃሶም ገና ኣይተበራበሩን። ሓንሳብ ምስ ተበራበሩ ድማ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ነገር ኣይፈልጡን እዮም። ብመሰረት ሕጊ ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን፡ ሓደ ሰብ ደቂሱ እንተዀይኑ ንጾታዊ ርክብ ከምዝተሰማምዐ ኣይቍጸርን። ይዅን እምበር፡ ሓደ ሰብ ፍቓድ ከምዝረኸበ \"ምኽንያታዊ እምነት\" እንተሃልይዎ፡ ብዓመጽ ገበነኛ ከምዘይኰነ'ውን ይገልጽ። \"ሃንደበት ካበይ ከምዝመጸ ኣይፈለጥናን፡ ኣደናጊሩና\" ክትብል ጄድ፡ ክሳብ ሽዑ ብዛዕባ ‘ሴክስሶምንያ’ ሰሚዓ ከምዘይትፈልጥ ትገልጽ። \"ኣብ ውሽጢ 13 ዓመታት ክልተ ናይ ነዊሕ ግዜ ርክብ ነይሩኒ፡ ከምዚዓይነት ነገር ግን ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን።\" እቲ ብኣገልግሎት ዓቃብ ሕጊ - ሲፒኤስ ዝተዋህበ ውሳነ፡ እቲ ጉዳይ ክዕጾን፡ ተኸሳሲ ብወግዒ ነጻ ክኸውንን ማለት እዩ። ጄድ፡ ብዛዕባ ድቃሳ ንመጀመርታ ግዜ ዝተሓተተት፡ ቃላ ክትህብ ናብ መደበር ፖሊስ ኣብ ዝኸደትሉ እዋን እዩ ነይሩ። ካብ ሓደ ኣባል ፖሊስ ንዝቐረበላ ሕቶ መልሲ ኣብ ዝሃበትሉ እዋን፡ ወትሩ ዓሚቝ ድቃስ ከምትድቅስን ኣብ ዕድመ ንእስነታ ሓደ ክልተ ግዜ ብድቁሳ ከም ዝተዛወረትን ገሊጻ። እዚ ርእይቶ፡ ኣብቲ ምሉእ እቲ ኣድካሚ መስርሕ ክሳብ ጉዳያ ዝቋረጽ ተረሲዑ ዝጸንሐ እዩ ነይሩ። ናብ ፖሊስ ደዊላ እቲ መስርሕ ክጅመር ዝገበረት ቤል ዝተበሃለት ብልጽቲ መሓዛ ጄድ እያ። ክልቲአን፡ ኣቐዲመን ምሸት ናብ ኣብ ደቡባዊ ለንደን ዝርከብ ባር ወጺአን ነይረን። መስተን ዕላልን ዝነበሮ ደስ ዝብል ምሸት ነይሩ። እቲ ባር ክዕጾ እንከሎ ቤል ታክሲ ጸዊዓ። ጄድ ግን ምስ ውሑዳት ሰባት ናብ ገዛ ሓደ ዓርካ ከይዳ ናይ መወዳእታ መስተ ክትሰቲ ወሲና። ከባቢ ሰዓት ክልተ ለይቲ፡ ሰባት ኣብቲ ሳሎን ገና እናዕለሉ ከለዉ፡ ምስ ምሉእ ክዳና ኮቦርታ ተሸፊና ኣብ ኩርናዕ ሶፋ ጥቕልል ኢላ ደቂሳ። ሰዓት ሓሙሽተ ካብ ድቃሳ ክትበራበር እንከላ መትሓዝ ጡባ ተፈቲሑ፡ ስረኣን ሙታንታኣን ወጺኡ ከምዝነበረ ትዛረብ። ኣብቲ ካልእ ሸነኽ ናይቲ ደቂሳትሉ ዝነበረት ሶፋ ሓደ ሰብኣይ ከም ዝረኣየት’ውን ትገልጽ። \"እንታይ ተፈጢሩ? እንታይ ጌርካ?' ኢለ ኣፋጢጠሉ። ግን 'ዝተበራበርኪ መሲሉኒ' ኢሉኒ።” \"ተሲኡ ወጹኡ ከይዱ፡ ነቲ ማዕጾ ድማ ክፉት ገዲፍዎ። ኣነ’ውን ተሌፎነይ ኣውጺአ ንቤል ክድውለላ ጀሚረ...\" ክልተ ፖሊስ መጺኦም ንጄድ ናብ መርመራ ፎረንሲክ ወሲዶምዋ። ኣብቲ መርመራ፡ ኣብ ርሕሚ ጄድ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ተረኺቡ፤ ናይቲ ኣብ ሶፋ ዝነበረ ሰብኣይ ከምዝዀነ ድማ ተረጋጊጹ። እቲ ጥርጡር ኣብ መጀመርታ ብፖሊስ ኣብ ዝተሓተተሉ እዋን ዝዀነ ርእይቶ ኣይሃበን። ኣኽባር ሕጊ ብዓመጽ ክኸሶ ወሲኑ። ንሱ ግን ገበነኛ ከምዘይኰነ ገሊጹ። መስርሕ ፍርዲ ዝጅመረሉ ዕለት ተወሲኑ። ግን ከይተጀመረ ተሪፉ። ጄድ፡ ኣኽባር ሕጊ ጉዳያ ምቁራጹ ጌጋ ምዃኑ ከተረጋግጽ ቈሪጻ ተላዒላ ነይራ፤ ይግባይ ክትብል ዘለዋ ግዜ ውሱን እዩ ነይሩ። ቃለ መሕትት ፖሊስ፡ ውጽኢት መርዛም ነገራት፡ መግለጺ መሰኻኽርን ጸብጻብ ክኢላታት ድቃስን ንዅሉ መርትዖታትን ክወሃባ ሓቲታ ንዅሎም ድማ መርሚራ። በቲ ዘንበበቶ፡ ብፍላይ ድማ ብርእይቶ እቶም ክልሰ-ሓሳባት ክኢላታት ድቃስ ሰንቢዳ። ክልቲኦም ክኢላታት ብኣካል ረኺቦምዋ ኣይፈልጡን፡ ርእይቶኦም ግን ጉዳያ ንኽዕጾ ዘኽእል ዓቢ ትርጕም ዘለዎ እዩ ነይሩ። እቲ ብተኸሳሲ ወገን ዝቐረበ ቀዳማይ ክኢላ፡ ጄድ እዋን ‘ሴክስሶምንያ’ ከምዘጋጠማ \"ሓያል ተኽእሎ\" ከምዘሎ ብምድምዳም፡ \"ከም ሓደ ኣዒንቱ ከፊቱ ብንጥፈት ኣብ ጾታዊ ርክብ ዝተዋፈረን ደስታ ዘርኢን ሰብ ዝበለ ባህርያት ኣርእያ ክትከውን ትኽእል እያ\" ኢሉ። ብድሕሪኡ ኣኽባር ሕጊ ናይ ገዛእ ርእሱ ክኢላ ቈጺሩ። \"ዋላ ኣብ 16 ዓመት ዕድመ ሓደ ግዜ ዘጋጠመ ታሪኽ ብድቁስካ ምጕዓዝ፡ ከምኡ'ውን ቀጻሊ ብድቁስካ ምዝራብ ወይ ዝዀነ ስድራቤታዊ ታሪኽ፡ ‘ሴክስሶምንያ’ ዝምልከት ዝንባለ ንምምስራት ምሉእ ብምሉእ እኹል እዩ\" ክብል ደምዲሙ። ጄድ ቃላት ስኢና። \"እዚ ከመይ ገይሩ ሓደ ዝተነጸለ ፍጻመ [ናይ ‘ሴክስሶምንያ’] ክኸውን ከም ዝኽእል፡ እዚ ድማ በቃ ብኣጋጣሚ ሓደ ምስኡ ጾታዊ ርክብ ክገብር ፈጺመ ክፈቕደሉ ዘይደሊ ሰብ ምሳይ ጾታዊ ርክብ ኣብ ዝፍጽመሉ እዋን ከጋጥም ከም ዝኽእል ኣይርድኣንን'ዩ\" ትብል። ጄድ ገንዘብ ከፊላ ናይ ገዛእ ርእሳ ርእይቶ ክትረክብ ወሲና። ናብ ኣብ ለንደን ኣብ ሆስፒታል ድቃስ ዝሰርሕ ዶክተር ኢርሻድ ኢብራሂም ድማ ከይዳ። ኣብ ጉዳያት ዓመጽ ርእይቶ ክኢላ ናይ ምሃብ ተመኵሮ ዘለዎ ዶክተር ኢርሻድ፡ ግዳይ ‘ሴክስሶምንያ’ ከጋጥሞ እዚ ናይ መጀመርታ ግዜ እዩ። ኣብ ካልኦት ክሲታት፡ እቶም ተኸሰስቲ እዮም ‘ሴክስሶምንያ’ ከምዘለዎም ዝገልጹ። ቢቢሲ ሰፊሕ መጽናዕቲ ኣካይዱ’ኳ እንተነበረ፡ ተኸሳሲ፡ እቲ ከሳሲ ‘ሴክስሶምንያ’ ኣለዎ ዝበለሉ ካልእ ናይ ዓመጽ ጉዳይ ግን ኣብ ብሪጣንያ ክረክብ ኣይከኣለን። ዶክተር ኢብራሂም፡ ሳይንሳዊ መጽናዕቲ ድሩት ከምዝዀነን ‘ሴክስሶምንያ’ ንምፍላጥ ዝሕግዝ ንጹር መንገዲ ከምዘየለን ይገልጽ። ንሱ፡ ዘጋጠምዎ ሰባት ብተለምዶ ደቂ ተባዕትዮ ምዃኖምን ብድቁሶም ጾታዊ ባህሪ ናይ ምርኣይ ታሪኽ ከምዘለዎምን ይሕብር። ጄድ፡ ኣብ እዋን ድቃስ ንዝፍጠር ማዕበል ሓንጐል፡ ምስትንፋስን ምንቅስቓስን ዝከታተል መርመራ ድቃስ (ፖሊሶሞኖግራፊ) ተገይሩላ። እቲ መርመራ ከምዘመልክቶ፡ ጄድ ከምትሕርንኽን ቀሊል ‘ስሊፕ ኣፕንያ’ (ኣብ እዋን ድቃስ ምትንፋስ ደው ዝብለሉን ዝጅምረሉን ልሙድ ኵነታት) ኣሎዋ። እዞም ክልተ ኵነታት ንሴክስሶምንያ ክድርኹ ዝኽእሉ ረቛሒታት ስለዝዀኑ ጄድ ዝተነጸለ እዋን ሴክስሶምንያ ኣየጋጠማን ኢልካ ምድምዳም ከምዘይከኣል ዶክተር ኢብራሂም ይገልጽ። ጄድ፡ ኣብቲ ዘጋጠማ ነገር ሴክስሶምንያ ተሓታቲ ክኸውን ዝኽእለሉ ዕድል ብንጹር ንኽነግራ ሓቲታቶ። \"እዚ ናይ ቢልዮን ዶላር ሕቶ እዩ\" ይብል ዶክተር ኢብራሂም። \"ውዱእ፡ እወ ወይ ኣይፋል ዝብል መልሲ ምሃብ ኣይክኣልን'ዩ።\" ጄድ ብድሕሪኡ'ውን ሴክስሶምንያ ከምዘይብላ እያ ትኣምን። እንተዀነ ግን እቶም ክኢላታት የብላን ክብሉ ብዘይምኽኣሎም ጕህያ። ጄድ፡ ሴክስሶምንያ ከም መከላኸሊ ክቐርብ እንከሎ፡ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ብኸመይ ከም ዝርአ ዝያዳ ክትፈልጥ ናብ ጠበቓ ኣቕኒዓ። ባሪስተር ኣሊሰን ሳመርስ ኬሲ፡ ሴክስሶምንያ ከም ዘለዎ ዝገልጽ ሰብ ኣብ ዝተኸሰሰሉ ጉዳያት ዓመጽ ዝተኸላኸለት ጠበቓ እያ። ንሳ፡ ክኢላታት ድቃስ ዳርጋ ፈጺሞም ሓደ ሰብ እቲ ኵነታት ኣለዎ ድዩ የብሉን ብውዱእ ክዛረቡ ከምዘይክእሉ፡ እንተዀነ \"ይከኣል እዩ\" ምባል ንዳያኑ ገበነኛ ኣይኰነን ኢሎም ንኽፈርዱ እኹል ክኸውን ከምዝኽእል ንጄድ ገሊጻትላ። \"ከም ውጽኢት ናይዚ፡ ገለ ገበነኛ ሰባት ነጻ ዝዀኑ ይመስለኒ ድዩ? እወ። ብሓፈሻ ግን ከበድቲ ገበናት ዝፈጸሙ ኰይኑ ግን ብሓቂ ገበነኛ ዘይኮኑ ሰባት ካብ ዝፍረዶም፡ ገለ ገበነኛ ሰባት ነጻ እንተዀኑ እየ ዝመርጽ\" ኢላ። \"እቲ እንኮ ክብሎ ዝኽእል ነገር እንተሃልዩ፡ እቲ መስርሕ ገበናዊ ፍርዲ ነቶም ሓቀኛታት ካብቶም ዘይሓቀኛታት ጉዳያት ንኽፈልዩ ከኽእሎም ተስፋ እገብር።\" ክሲታት ሴክስሶምንያን ተመሳሰልቲ ኵነታትን ኵሉ ግዜ ኣብ ቤት ፍርዲ ብጽኑዕ ክብድሁ ከምዘለዎም መምርሒታት ኣኽባር ሕጊ ይገልጽ። ጉዳይ ጄድ ግን ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ኣይፈልጥን። ብመጽናዕታ ተዓጢቓ፡ ግዳይ ናይ ምግምጋም መሰል ተባሂሉ ዝፍለጥ ይግባይ ኣቕሪባ። ካብቲ ነቲ ጉዳይ ንምዕጻው መበገሲ ውሳነ ዝወሰደ ክፍሊ ኣኽባር ሕጊ - ሲፒኤስ - ነጻ ዝዀነ ዋና ኣኽባር ሕጊ፡ ንዅሉ መርትዖታት እንደገና መርመሮ። እቲ ጉዳይ ናብ ፍርዲ ክቐርብ፡ ከምኡ'ውን ርእይቶ ናይቶም ክኢላታት ድቃስ፡ ጸብጻብ ተኸሳሲ፡ ክምርመሩ ከምዝነበሮም ደምዲሙ። ዳያኑ ነቲ ተኸሳሲ ክፈርዶ \"ዝያዳ ተኽእሎ\" ምሃለወ ነይሩ ኢሉ። \"እንታይ ከም ዘሕለፍክን ከመይ ከም ዝስምዓክን ክግምት ኣይክእልን። ኣብ እዋን መርመራ፡ እዚ ጉዳይ ኣብ ልዕለኺ ዘስዓቦ ኣዕናዊ ጽልዋ ኣስተብሂለሉ እየ\" ክብል ንጄድ ጽሒፉላ። \"ዋላ’ኳ ንዓኺ ብዙሕ ምጽንናዕ እንተዘይሃለዎ፡ ብስም ሲፒኤስ ግን ዘይተገደበ ይቕሬታ ​​እሓትት።\" ንጄድ፡ ጉዳያ ናብ ዳያኑ ክቐርብ ነይርዎ ዝብል ኣፍልጦ መሪርን ጥዑምን ነይሩ፤ ምኽንያቱ እቲ ተኸሳሲ ሓደ ግዜ ብወግዒ ገበነኛ ከምዘይኰነ ተነጊሩ እዩ። ስለዚ ብዘይ ኣስገዳዲ ሓድሽ መርትዖ ንኻልኣይ ግዜ ክኽሰስ ኣይክእልን። \"ፍትሒ ክረክብ ተስፋ የብለይን\" ትብል ጄድ። እንተዀነ፡ ካልኦት ተመሳሳሊ መከራ ከይሓልፉ፡ ሲፒኤስ ካብዚ ትምህርቲ ከምዝወስድ ተስፋ ኣለዋ። ክሳብ መስከረም 2021 ኣብ ዝነበረ ዓመት፡ ኣብ እንግሊዝን ዌልስን ብፖሊስ ካብ ዝተመዝገቡ ጉዳያት ዓመጽ፡ ኣብቶም 1.3 ሚእታዊ ጉዳያት ጥራይ እቶም ጥርጡራት ክኽሰሱ ከም ዝተገበረ ኣሃዛት ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ይሕብሩ። ሲፒኤስ፡ \"ከም ዓመጽ ዝኣመሰሉ ህይወት ዝቕይሩ ገበናት ብኸመይ ከም ዝሕዙ ንምምሕያሽን፡ ብኸመይ ከም ዝተሓዙ ንምምሕያሽ ድማ ምስ ፖሊስ ብቐረባ ከምዝሰርሑን\" ቃል ኣትዮም ኣለዉ። ጄድ፡ ዝወረዳ ጉድኣት ንክኽሕስ ንሲፒኤስ ከሲሳ ኣላ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cp3k08ly802o"} {"headline":"ፈለስቲ ከይተረፋ ምስልታት ግብረ-ጽዩፍ ይርእያ እየን'፡ ጳጳስ ፍራንሲስ","content":"ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ብኢንተርነት ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ግብረ-ጽዩፍ ምርኣይ ዘስዕቦ ጉድኣት ኣመልኪቶም ንካህናትን ፈለስትን ኣጠንቂቘም። እቶም ጳጳስ፡ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ግብረ-ጽዩፍ ምርኣይ (pornography) “ንካህናታዊ ልቢ ዘድክም’ዩ” ኢሎም። እቶም 86 ዝዕድመኦም ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ዲጂታልን ማሕበራዊ ሚድያን ብኸመይ ንዝሐሸ ረብሓ ክውዕል ከም ዘለዎ ንዝቐረበሎም ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ እዮም፡ ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ዝሃቡ። ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ምስልታት ግብረ ጽዩፍ፡ “ብዙሓት ሰባት ዝርእይዎ እከይ እዩ፣ ዋላ ኣቕሽትን ፈለስትን እንከይተረፉ” ብምባል፡ ነቲ ተግባር ኰኒኖምዎ። እቶም ጳጳስ ንካህናትን ተመሃሮ ሃይማኖትን ኣብ ዝሃብዎ መጠንቀቕታ፡ “ሰይጣን ካብኡ (ካብ ምስሊ ግብረ-ጽዩፍ) እዩ ዝኣትወካ” ኢሎም። ማሕበራዊ ሚድያን ዲጂታላዊ ዓለምን ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ኣለዎ ዝበሉ ጳጳስ ፍራንሲስ፡ እንተኾነ ካህናትን ፈለስትን ብዙሕ ግዘ ኣብኡ ከየባኽኑ ምዒዶምዎም። “እቲ ንጹህ ልቢ፡ እቲ ክርስቶስ መዓልታዊ ዝቕበል ልቢ፡ ነዚ ናይ ግብረ-ጽዩፍ ሓበሬታ ክቕበል ኣይኽእልን” ኢሎም። ጳጳስ ፍራንሲስ፡ “ካብ ሞባይልኩም ኣጥፍእዎ፡ ስለዚ ኣብ ኢድኩም መሰሓሓቲ ነገር ኣይክህልወኩምን” ክብሉ ነቲ ጕጅለ ምዒዶም። ቤተ-ክርስትያን፡ ምስልታት ግብረ-ጽዩፍ ምርኣይ ኣንጻር ቅድስና ዝፍፀም ሓጥያት ከም ዝዀነ እያ ተስተምህር። ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ቅድሚ ሕጂ ካህናት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ንደናግል ከም ዝእምፅወንን ባሮት ጾታዊ ርክብ ከም ዝገብርወንን ብወግዒ ተኣሚኖም ነይሮም።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c29ezy56jezo"} {"headline":"ዓመጽተይ ምፍትሖም መሊሱ የቐንዝወኒ'","content":"ዕስለ ሂንዱ፡ ብ2002 [ኣ.ኤ]፡ ኣብ ምብራቓዊ ግዝኣት እታ ሃገር ጉጃራት ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ተቓውሞ እስላም መጥቃዕቲ ክፍጽሙ እንከለው፡ ቢልኪስ ባኖ፡ ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ኰይና 14 ኣባላት ስድራኣ’ውን ተቐቲሎም። ብሰኑይ፡ ብጾታዊ ዓመጽን ቅትለትን ጉዳይ ባኖ ተኸሲሶም ዕድመ ልክዕ ተፈሪዱዎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ 11 ውልቀሰባት ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ክወጽኡ እንከለው ግን ኣቀባብላ ጅግና ተገይሩሎም። ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ዝዀነ ቪድዮ፡ እዞም ውልቀሰባት ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኦም ኣዝማዶም ዝብላዕ ነገራት ክህቡዎምን፡ ዘለዎም ክብሪ ንምግላጽ ኣእጋሮም ክተናኽፍዎምን የርኢ። ቢልኪስ ባኖ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ናጻ ምስዳድ “ዘይፍትሓዊ” ከምኡ’ውን ኣብ ፍትሒ ንዝነበራ እምነት “ዘዋቕዕ” እዩ ክትብል ተዛሪባ። “ቤተሰበይን ህይወተይን ዘዕነው ገበነኛታት ናጻ ከም ዝወጽኡ ምስ ሰማዕኩ፡ ዝዛረቦ ቃላት ኣይነበረንን፤ ሕጂ’ውን ደንዚዘ’የ ዘለኹ” ኢላ። “ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዝተዋህበ ፍርዲ ብኸመይ ከምዚ የብቅዕ? ነቶም ላዕለዎት ኣብያተ ፍርዲ ሃገርና ኣሚነ፤ ነቲ ስርዓት ኣሚነ ቀስ ብቐስ ምስ ቃንዛይ ምንባር ክለማመዶ ጸኒሐ። ምፍታሕ እዞም ገበነኛታት ሰላመይ መንዚዑንን ኣብ ፍትሒ ዝነበረኒ እምነት ኣናጊዑዎን’ዩ” ክትብል ጽሒፋ። ብተወሳኺ መንግስቲ ጉጃራት፡ ብዘይፍርሒ ብሰላም ዝነብረሉ ህይወተይ ክመልሰለይ እምሕጸን ትብል። ብሰኑይ፡ መንግስቲ ጉጃራት ምፍታሕ እዞም ገበነኛታት ወግዓዊ ክገብር እንከሎ፡ ህንዲ መበል 75 ዓመት መዓልቲ ናጽነታ ትጽንብል ነይራ። ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን፡ ብ2008 ቤት ፍርዲ ገበነኛ ዝበሎምን ንልዕሊ 14 ዓመታት ናይ ማእሰርቲ ግዜ ዘሕለፉን ዕድሚኦምን ካልእ ናይ ማእሰርቲ ግዜ ባህርያቶምን ኣብ ግምት ብምእታው መንግስቲ ዝቐረበሉ ሕቶ ምሕረት ኣጽዲቑ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። እዚ መንግስቲ ሰልፊ ብሄርተኛ ሂንዱ ዝዀነ ቢጄይፒ [ገዛኢ ሰልፊ እታ ሃገር] ዝወሰዶ ስጕምቲ ግን ኣብ ህንዲ ሓያል ቁጥዐ ኣልዒሉ ኣሎ። ተቓወምቲ ሰልፍታት፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብዙሓት ጋዜጠኛታትን ካልኦትን፡ እዚ ውሳነ ዘይ-ስነ ምግባራውን ኣብ ልዕሊ ውሑዳን እስላም ህንዲ ዝፍጸም ኣድልዎን እዩ ብምባል ተቓዊሞም። ቢጄይፒ፡ ብ2014 ፌደራላዊ መንግስቲ ካብ ዝምስርት ንደሓር ኣብ ልዕሊ እዞም ክፋላት ሕብረተሰብ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ብቕልጡፍ ወሲኹ። ብተወሳኺ፡ ምፍታሕ እዞም እሱራት፡ ነቲ ብጾታዊ ዓመጽን ቅትለትን ገበነኛ ዝተባህለ ውልቀሰብ ምሕረት ኣይግብኦን ንዝብል መምርሒ ፌደራላውን ክልላውን መንግስቲ ዝጻባእ ምዃኑ ይግለጽ። ኣብ ህንዲ፡ ከምዚኦም ዝበሉ ገበናት ስዒቡ ዝወሃብ ፍርዲ ክሳብ ሞት ዝጸንሕ እዩ። እቲ ዓቢይ ስግኣት ግን፡ ንቢልኪስን ስድራኣን እዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ ቢልኪስን ስድራኣን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብቲ ግዜ ካብ ዝተፈጸሙ ኣዝዮም ዘስካሕክሑ መጥቃዕታት ሓደ እዩ። እቲ ናዕቢ፡ 60 ንንግደት ዝኸዱ ዝነበሩ ሂንዱ ኣብ ከተማ ጎድህራ ኣብ ውሽጢ ባቡር ብዝተላዕለ ሓዊ ምስ ሞቱ ስዒቡ ከም ዝተላዕለ ይዝከር። እስላም፡ ነቲ ባርዕ ሓዊ ኣለዓዒሎምዎ ተባሂሎም ተነቒፎም፤ ዕስለ ሂንዱ ኸኣ ናብቲ ዝነብሩሉ ከባቢታት ብምኻድ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ጀሚሮም። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት፡ መብዛሕትኦም እስላም ዝዀኑ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ሞይቶም። ናሬንድራ ሞዲ፡ ኣብቲ እዋን ሚኒስተር ጕጃራት ስለ ዝነበረ፡ እቲ መጥቃዕቲ ንምክልኻል እኹል ጻዕሪ ብዘይምግባር ተነቒፉ። እንተዀነ፡ ዝፈጸምኩዎ ጥፍኣት የለን ስለ ዝብል ክሳብ ሕጂ ይቕሬታ ኣይሓተተን። ብ2013፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ንሞዲ ንምኽሳስ ዘኽእል እኹል መረዳእታ የለን ኢሉ። ይዅን’ምበር ነቐፍቲ ሕጂ’ውን እቲ ናዕቢ ንሱ እናሃለወ ዝተረፈ’ዩ ብምባል ይነቕፉዎ። ንዝሓለፉ ዓመታት፡ ቤት ፍርዲ ኣብቲ ናዕቢ ተሳቲፎም ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ዓሰርታት ሰባት ፍርዲ ሂቡ እዩ። እንተዀነ፡ ገለ ከበድቲ ክስታት ዝቐረበሎም ውልቀሰባት ብዋሕስ ወጺኦም፤ ገሊኦም ክኣ ብላዕለዎት ኣብያተ ፍርዲ ምሕረት ተገይሩሎም። እዚኦም፡ ሚኒስተርን ሓጋዚ ሞዲን ዝነበረ ኣብ ቤት ፍርዲ “መራሒ እቶም ናዕብታት” ተባሂሉ ዝተኸሰሰ ማያ ኮድናኒ ይርከቦም። ቢልኪስ፡ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ኵነታት ክትዝክሮ እንከላ፡ ኣብ እንዳ ክሽነ ምሳሕ ተዳሉ ከም ዝነበረት እያ ትዛረብ። “ኣሞይን ደቃን እናጐየዩ መጺኦም፤ ገዛኦም ብሓዊ ከም ዝነደደን ከም ዝሃደሙን ነጊሮምና። ስለዚ፡ ኣብ ዝባንና ዝነበረ ዓለባ ጥራይ ሒዝና ጫማ ክንወዲ’ውን ግዜ ኣይነበረናን ወጺእና ኬድና” ትብል። ባኖ፡ ጓላ፡ ኣዲኣ፡ ነፍሰ ጾር ጓል ሓትነኣ፡ ንኣሽቱ ኣሕዋታን ደቂ ኣሕዋታን ከምኡ’ውን ክልተ ኣባጽሕ ደቂ ተባዕትዮም ዝርከቡዎም 17 እስላም ኣብ ዝነበርሉ ጕጅለ ነይራ። ንሒደት መዓልታት ካብ ገጠር ናብ ገጠር እናተጓዓዙ፡ ኣብ መስጊድ ዕቝባ እናሓተቱን ብልግሲ ሂንዱ ጎረባብቶም እናተሓገዙን ነብሶም ከድሕኑ ፈቲኖም። ንግሆ 3 መጋቢት ግን፡ ደሓን እዩ ናብ ዝበሉዎ ሓደ ዓዲ ክጓዓዙ ኣብ ዝዳለውሉ እዋን ብጕጅለ ዝተኣከቡ ደቂ ተባዕትዮ ደው ኣቢሎምዎም። “ብጕራደን ዕንጸይትን ኣጥቂዖምና። ሓደ ካብኣቶም ንጓለይ መንዚዑ ወሲዱ ናብ መሬት ደርቢዩዋ። ርእሳ ምስ እምኒ ተጋጭዩ።” እቶም መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ዘለው ጐረባብታ’ዮም፤ መብዛሕትኦም ዳርጋ ኣብቲ ከባቢ ክትባጽሕ እንከላ መዓልታዊ ትርእዮም ዝነበረት ደቂ ተባዕትዮ። ግን፡ ክዳና ቀዲዶም ብጕጅለ ዓሚጾምዋ። ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ዝወደለት ሓትነኣ’ውን ተዓሚጻ ምስ ዕሸላ ተቐቲላ። ባኖ፡ ውነኣ ኣጥፊኣ ስለ ዝነበረት እቶም ሰባት ገዲፎምዋ ብምኻዶም ብህይወት ተሪፋ። ካልኦት ክልተ ቈልዑ [ደቂ ሸውዓተን ኣርባዕተን ዓመት] ጥራይ ውጻእ መዓት እቲ ጨፍጫፍ ነይሮም። ባኖ፡ ፍትሒ ንምርካብ ዝሓለፈቶ ቃልሲ ነዊሕን ከቢድን እዩ። ግቡእ ሰነዳት ዘማልአ ስለ ዝነበረ፡ ገለ ፖሊስን ሓለፍቲ እታ ግዝኣትን ደው ከብሉዋ ፈቲኖም። ካብኡ ገለ ሰነዳት ክጠፍኡ፡ እቶም ሙዉታት ዝተቐተልሉ መገዲ ንኸይፍለጥ መርመራ ከይተገብረ ክቕበሩ ተገይሩ። ንባኖ ዝሓከሙ ሰብ ሞያ ጥዕና ድማ ኣይተዓመጸትን ኢሎም፤ ምፍርራሕ ሞት በጺሑዋ። ብ2004 ግን፡ ምስዚ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ፈላሞት ጥርጡራት ተኣሲሮም፤ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ መርመርቲ ፌደራል ነቲ ጉዳይ ከም ዝሕዙዎ ብምግባር ቤት ፍርዲ ጉጀራት ፍትሒ ክህባ ኣይክእላን ብምባል እቲ ክሲ ኣብ ሙምባይ ክርአ ገይሩ። እቲ ፍትሒ ንምርካብ ዝግበር ዝነበረ ቓልሲ ግን ንቤተሰባ ከቢድ ነይሩ፤ ብዙሕ ግዜ ካብ ሓደ ገዛ ናብ ካልእ ይከላበቱ ነይሮም። “ሕጂ’ውን ስለ እንፈርሕ ናብ ዓድና ክንምለስ ኣይንኽእልን። ፖሊስን ኣመሓደርቲ እቲ ክልልን ወትሩ ነቶም ዘጥቅዑና ይሕግዙዎም’ዮም። ኣብ ጉጅራት ኣብ ዝነበርናሉ ገጽና ሸፊንና ኢና ንንቀሳቐስ ነይርና፤ ኣድራሻና ንዋላ ሓደ ሂብና ኣይንፈልጥን” ክብል በዓል ቤታ ተዛሪቡ። ቤት ፍርዲ፡ እቶም ገበነኛታት ብማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ክፍረዱ እንከለው፡ ባኖ “ሕነ ክፈዲ ኣይደልን፤ እንታይ ከም ዝፈጸሙ ክርድኦም ጥራይ እየ ዝደሊ” ኢላ ነይራ። “ሓደ መዓልቲ ክብደት እቲ ዝፈጸሙዎ ገበን ክርድኦም፡ ህጻናት ቈልዑ ከመይ ከም ዝቐተሉን ደቂ ኣንስትዮን ከም ዝዓመጹን ክግንዘቡ’ዮም ኢለ ተስፋ እገብር። ግን ህይወቶም ኣብ ማእሰርቲ ከሕልፉዎ’የ ዝደሊ፡” ኢላ። ብሰሉስ፡ በዓል ቤታ ራሱል ንጋዜጣ ኢንዲያን ኤክስፕረስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ባኖ “ተኪዛን ተጨኒቓን” ምህላዋ ተዛሪቡ። “ንዓመታት ዝገበርናዮ ቃልሲ ብሓደ ግዜ ባኺኑ። እዚ ዜና ክንቅበሎ ግዜ ኣይረኸብናን፤ እቶም ገበነኛታት’ውን ድሮ ገዛኦም በጺሖም ይዀኑ።”","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c19myd1gmpro"} {"headline":"ጸላም ስለ ዝዀንኩ ‘ኣብ ገጸይ ተፊኡለይ’","content":"ሞያ ሳራ ቻን፡ ኣብ ኩዕሶ ሰኪዐት ተውህቦ ተጻወትቲ ወይ ምድላውን ተጻረርቲ ጋንታታት ምግምጋምን እዩ። ሳራ ብሞያኣ፡ ካብ ሱዳን ክሳብ ኬንያ፡ ኣውሮጳን ኣሜሪካን ናብ መላእ ዓለም ተጓዒዛ'ያ - ኣብ ጕዕዞኣ ግን ኲናት፡ ዓሌትነትን ጾታን መሰረት ዝገበረ ዓመጽን ኣጋጢምዋ እዩ። \"ብሰንኪ ሕብሪ ቆርበተይ ኣብ ገጸይ ተተፊኡኒ'ዩ\" ትብል እታ ፕሮፌሽናል ተጻዋታቲት ኩዕሶ ሰኪዐት ነበር። \"ካብቲ ክጾሮ ዝኽእል ንላዕሊ ዓሌትነት ኣጋጢሙኒ'ዩ።\" ሕጂ ኣብቲ ዝለዓለ ፕሮፌሽናል ሊግ ኩዕሶ ሰኪዐት ዓለም ዝዀነ ሃገራዊ ማሕበር ኵዕሶ ሰኪዐት (NBA) ንሓንቲ ጋንታ ምልመላ ኣፍሪቃውያን ተጻወትቲ ተመሓድር ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ እያ። ንሳ፡ ንሓድሽ ወለዶ መንእሰያት ኣብቲ ስፖርት ናይ ምስታፍ ዕድል ንኽደልዩ ተነቓቕሕ ኣላ። \"ኩዕሶ ሰኪዔት ናብዚ ሎሚ ዘለኹዎ ደረጃ ክበጽሕ መንገደይ ኣብሪሁለይ'ዩ\" ትብል እታ ኣብ ዝርዝር ቢቢሲ 100 ኣነቓቓሕትን ጽልዋ ዘለወንን ደቂ ኣንስትዮ 2022 ዝኣተወት ሳራ ቻን። ንሳን ስድራኣን፡ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ምስ ስድርኣ ኣብ ካርቱም ይነበሩ ነይሮም። ንኣቦኣ ንምእሳር ብዙሕ ፈተነታት ይግበር ስለዝነበረ ብዙሕ ግዜ ለይቲ ኣብ ደገ ገዛኦም ብዝስማዕ ድምጺ ትበራበር ከምዝነበረት ትዝክር። ኣብ መወዳእታ ግን ውሑስ ህይወትን ዝሓሸ ትምህርትን ክረኽቡ ተስፋ ብምግባር ናብ ኬንያ ሃዲሞም። \"ብጭቡጥ መሰል ስፖርት ምጽዋት ከነስተማቕረሉ ዝኸኣልና ናይ መጀመርታ ቦታ'ዩ ነይሩ፡ ምኽንያቱ ኣብ ሱዳን ጓል ኣንስተይቲ ስፖርት ክትጻወትን ሓጺር ክዳን ክተልብስን ነውሪ እዩ ነይሩ\" ትብል ሳራ። ኣብዚ እዋን እዚ እዩ ድማ ንኹዕሶ ሰኪዐት ዘለዋ ፍቕሪ ዝተቐልቀለ። ንሳን ሓብታን ንመጀመርታ ግዜ ነዚ ስፖርት ክጻወታ ዝገበረ ዕላል ትዝክር። \"ኣብ ኬንያ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ካብቶም ዝነውሑ ቈልዑ ሓንቲ ምንባረይ እዝከረኒ፣ ርእሰ መምህርና ድማ ክንጻወት ንኽእል እንተዄንና ሓቲቱና።\" \"ብቕንዕና ንምዝራብ፡ ኣብቲ እዋን'ቲ ምስ ኣእምሮይ ኣይነበርኩን። ስለዚ ድማ ብኣኽብሮት ከምዘይደሊ ገሊጸሉ - ብሰንኪ'ዚ ድማ፡ ብኡ ንብኡ ስፖርት ግዴታ ገይርዎ።\" ድሕሪ ናይ ዓመታት ልምምድ፡ ኣብ ኣሜሪካ፡ ተነሲ፡ ካብ ዝርከብ ዩኒየን ዩኒቨርሲቲ፡ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ናይ መጀመርታ ዲግሪ ኩዕሶ ሰኪዐት ስኮላርሺፕ ረኺባ። ኣብ ውሽጢ 14 ዓመታት ናይ ጸወታ ሂወታ ኣብ ኣውሮጳን ኣብ መላእ ኣፍሪቃን ብፕሮፌሽናል ደረጃ ተሳቲፋ። \"ብኩዕሶ ሰኪዐት ኣቢልካ ልቢ ብዙሓት ትትንክፍ። ኩዕሶ ሰኪዐት ህይወት ዝቕይር እዩ\" ትብል። ይዅን እምበር ሳራ ቻን ኣብቲ ስፖርት ዓሌትነት እውን ኣጋጢምዋ እዩ። ንኣብነት፡ ምስ ጋንታኣ ናብ ኣልጀርስ ኣብ ዝኸደትሉ እዋን ሓደ ሰብኣይ ኣብ ገጻ ተፊኡላ እዩ። \"ስድራይ ኣብ ውሽጠይ ዘስረጹለይ መሰረት እንተዘይህሉ ነይሩ፡ ነዚ ዅሉ ክጻወሮ ኣይምኸኣልኩን\" ትብል። \"ቅድሚ ካብ ገዛይ ምውጽአይ፡ ኣቦይን ኣደይን 'ዝዀነ ነገር ከይተወሰኸኪ፡ ከምዘለኽዮ ጽብቕቲ ኢኺ' ኢሎምኒ።\" ሳራ፡ ኣብ 2012 ንፈለማ እዋን ናብ ደቡብ ሱዳን ክትምለስ ከላ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም በደላት፡ እንተላይ ብኣጋኡን ብግዴታ ዝግበርን መርዓ ርእያ። \"ኣብ 18 ዓመት ዕድመኺ መጻምድቲ ክትደልዪ ክትጅምሪ ትጽቢት ይግበር\" ትብል። ኣዋልድ፡ ካብ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምጽናሕን ወይ ድማ \"ካብቲ ስድራቤት ዝመርጸለን ሰብኣይ ገንዘባዊ ደገፍ\" ካብ ምርካብ ሓደ ክመርጻ ከምዝግደዳ ትገልጽ። \"ንኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ነቢዐ። ብኽያት ኣብ ዝወዳእኩሉ ደረጃ በጺሐ፣ ገለ ነገራት ኣብ ምእራም ኣበርክቶ ንምግባር እንታይ ክገብር ከም ዝኽእል ክፈልጥ ኣድልዩኒ።\" ስለዚ ድማ ሳራ ንመውስቦ ህጻናት ዝምክትን ንትምህርትን ስፖርትን ዝጣበቕን ሆም ኣት ሆም\/ኣፐዲት ፋውንዴሽን ዝተበሃለ ትካል ግብረ ሰናይ መስሪታ። ሓደ ግዜ ጸወታ ኣብ ትዕዘበሉ እዋን፡ ሓንቲ ጓል መጺኣ ኣብ ጐድና ኣብ መንበር ኮፍ ክትብል ትዝክር። \"ተጻዋቲት ኩዕሶ ሰኪዐት'ኳ ኣይነበረትን፣ ግን ሃንደበት ናብ ሜዳ መጺኣ ቅድሚ እታ መዓልቲ ኣብ ዝነበረት ምሸት ከመይ ከም ዝተዓመጸት ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ዛንታ ነጊራትኒ\" ትብል። \"ኣነ ባዕለይ በሰላ ዝመልኦ ተመኵሮታት ዓመጽ ስለዘጋጠመኒ ብሓቂ ዘጕሃየኒን ዘሕዘነኒን ነይሩ። ንኽሓዊ ድማ ነዊሕ ግዜ ወሲዱለይ። \"ኣብ መጀመርታ ኣብ ነጸጌታ (ክሕደት) እየ ነይረ - ኣብ ልዕሊ ሓንቲ 1.88 ሜተር ዝቝመታ ጓል ከምዚ ዓይነት በሰላን ዓመጽን ኣየጋጠማን ኢለ [ሓሲበ]። ድሕሪኡ ዝመጸ ሕርቃን፡ ድሕሪኡ ዝመጸ ሓዘን፡ ዋጋ ከምዘይብልኪ፡ ረዳኢ ከምዘይብልኪን ዓርዓርታን ክስምዓኪ ጥራይ ዝገብር’ዩ።\" ንዓኣ፡ ፈውሲ ዝዀኑዋ ክልተ ነገራት እዮም። እቲ ቀዳማይ፡ \"ሓደ ካብቶም ዝኸበዱ ነገራት\" ብምፍጻም እዩ፣ ነቲ ገበነኛ ይቕረ ብምባል። ካልኣይ ድማ፡ ኣብቲ ትካል ግብረ ሰናይ ብምስርሓ ዝመጸ እዩ። \"ካብ ድኽነት እየ መጺአ፡ ስለዚ ኣስተውዒልናሉ ኢና\" ትብል። \"እዞም ቈልዑ ኣዝዮም ንፉዓት፡ መስተውዓልቲን ብቑዓትን ስለዝኾኑ ዕድል ጥራይ እዩ ዘድልዮም።\" \"ስፖርት ክጅምር ሰባት ሓጊዞምኒ እዮም፡ ንሳቶም እንተዘይሕግዙኒ ድማ ኣነ ኣብዚ ሎሚ ዘለኹዎ ኣይምበጻሕኹን።\" ሳራ፡ እቲ ስፖርት ኣብ ኣፍሪቃ ብደቂ ተባዕትዮ ዝዕብለል እኳ እንተኾነ፡ ኣብታ ኣህጉር ኩዕሶ ሰኪዔት ደቂ ኣንስትዮ ዓቕሚ ድሙቕ እዩ ኢላ ትሓስብ። \"ስፖርት መጻኢ ኣፍሪቃ'ዩ። ኣጽዋር ኣፍሪቃ'ዩ ብፍላይ ንኣዋልድ\" ትብል። \"ሰባት ቅድሚ ሕጂ ዘይረኣይዎ ነገራት ኣባይ ስለዝረኣዩ\" ትብል ሳራ ነቲ ስራሓ ብዕቱብ ትወስዶ። ኣብዚ ሕጂ ዘለዋ ሞያ ውጽኢት ኣሰልጣንነታ እዩ፤ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኩዕሶ ሰኪዐት ክትሰርሕ ዝረኣያ ሓደ ኣካያዲ ስራሕ ኤን.ቢ.ኤ፡ ኣብ ጋንታ ቶሮንቶ ራፕተርዝ ከም እትቍጸር ገይሩ። ጋንታ ቶሮንቶ ራፕተርዝ፡ ከም ኣካል ናይቲ ኤን.ቢ.ኤ ኣብ ካናዳ ዝገብሮ ምስፍሕፋሕ ኣብ 1995 ዝተመስረተት ኰይና፡ ስራሕ ሳራ ቻን፡ ዝቕልቀሉ ተውህቦታት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብምልላይ፡ ምዕባለኦም ምድጋፍን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ኩዕሶ ሰኪዐት ዝጻወትሉ ዕድላት ምፍጣርን እዩ። ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ሩዋንዳ ንዝካየድ ዓቢ ውድድር ተጻወትቲ ክትመርጽ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ኡጋንዳን ታንዛንያን ተጓዒዛ ነይራ። ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኩዕሶ ሰኪዐት፡ \"ኣፍሪቃዊ ሊግ ኩዕሶ ሰኪዐት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝህልወሉ ደረጃ ክበጽሕ ተስፋይ'ዩ\" ትብል። \"ነዘን ኣዋልድ ሕልመይ ንሱ'ዩ፣ ብባህሊ ዘይድረታ፡ ብዝዀነ ኣተሓሳስባ ዘይድረታ እየን። \"ብሓቂ ኣብ ኣእምሮኦም ነጻን ሓራ ዝወጻን እየን፣ ከም ደቂ ሰባት ድማ ሕልምታተን ክሃድና ክኽእላ እምበር፡ ብሰንኪ ጾታ ዝተገትኣ ወይ ዝተገደባ ክዀና ኣይግባእን።\"","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c979r25pvnvo"} {"headline":"31 ደቂ ኣንስትዮ ዝዓመጸ ሰብ ድሕሪ 40 ዓመት መንነቱ ተፈሊጡ","content":"ፖሊስ ኣውስትራልያ መንነት እቲ ንከተማ ሲድኒ ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ዘሸበረ ተኸታታሊ ዓማጺ ከምዝተለለየ ገሊጹ። እቲ ናይ መጀመርታ መጥቃዕቱ ካብ ዝፈጸመሉ እዋን ኣትሒዙ ንኣስታት 40 ዓመት ከይተፈልጠ ዝጸንሐ ውልቀሰብ ኪት ሲምስ ይበሃል። ሲምስ ካብ 1985 ኣትሒዙ ክሳብ 2001 ን31 ደቂ ኣንስትዮ ናብ ገዝአን ኣትዩ ወይ ድማ ንኣካላዊ ምንቅስቓስ ንጉያ ኣብ ዝወጻሉ እዋን ከምዘጥቅዐን ፖሊስ ሓቢሩ። መርመርቲ ኣብ መጀመርታ እቶም መጥቃዕቲ ብሓያሎ ዝተፈላለዩ ሰባት ከምዝተፈጸሙ ይኣምኑ ነይሮም። ሳላ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ዲኤንኤ ግን፡ ሕጂ መርመርቲ ኩሎም መጥቃዕቲ ምስቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ መበል 66 ዓመቱ ዝሞተ ሲምስ ከምዝተኣሳሰሩ ፈሊጦም ኣለዉ። ኣብ ዝተፈላለየ እዋን \"ቦንዲ ቢስት\" ወይ \"ትራክሱት ሬፒስት\" ተባሂሉ ዝፍለጥ ሲምስ፡ ንመጀመርያ ግዜ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ክሎቨሊ ኣብ 1985 እዩ ነይሩ። ናይ መወዳእታ መጥቃዕቱ ድማ ኣብ ጥቓኡ ኣብ ዝርከብ መካነ መቓብር ኣብ 2001 እዩ ፈጺሙ። ኣብቲ እዋን ነፍሲ ወከፍ ፍጻመ ብውልቂ ይምርመር እኳ እንተነበረ፡ ፖሊስ ግን ኣብ 2000ታት ከራኽብዎም ጀሚሮም። ካብ 12 ግዳያት ዝተወስደ ዲኤንኤ ተመሳሳሊ ኮይኑ፡ ካልኦት 19 ፍጻመታት ድማ ምስቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመሉ ኣገባብ ዝሰማማዑ እዮም። እተን ካብ 14 ክሳብ 55 ዓመት ዝዕድሚአን ደቂ ኣንስትዮ ኩለን ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ተመሳሳሊ መግለጺ ሂበን እየን። ቁመቱ ካብ 160 ክሳብ 180 ሴንቲ ሜተር፡ ጸሊም ቆርበት፡ ቡናዊ ዓይንን ገፊሕ ኣፍንጫን ነይርዎ። ገጹ ሸፊኑን ከም ናይ ጉያ ቱታ፡ ቆብዕ ዘለዎ ጎልፎ ወይ ሓጺር ስረ ኩዕሶ እግሪ ዝኣመሰሉ ንቡር ክዳውንቲ ይኽደን ነይሩ። ንግዳያቱ ድማ ብካራ የፈራርሐን ወይ ድማ ካራ ከም ዘለዎ ከም ዝኣምና ይገብረን። ኣብ 2019 ግን መርመርቲ ሓደ ኣንፈት ረኺቦም። ኣብ ዳታቤዝ ፖሊስ ዝሰማማዕ ስድራቤታዊ ዲኤንኤ ረኺቦም፡ እዚድማ ቁጽሪ ጥርጡራት ናብ 324 ሰባት ክቕንስ ገይሩ። ኣብ ወርሒ መስከረም፡ ካብ ሲምስ ዝተወሰደ ቅምሶ፡ ምስቶም ካብቶም ግዳያት ዝተወስዱ ፍጹም ዝሰማማዕ ኮይኑ ተረኺቡ። ስድራቤትን ፈተውትን፡ ሲምስ ኣዝዩ ዝፍቶ ኣቦ፡ ኣቦሓጎን ኣባል ማሕበረሰብን ክብሉ ከምዝገለጽዎ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ይሕብሩ። እቲ ነቲ ዜና ንስድራቤት ሲምስ ዝነገረ መርማሪ፡ \"ዝፈልጥዎ ነገር ከምዘይነበሮም\" ተዛሪቡ። መርማሪ ሳጅን ሸሊ ጆንስ፡ \"ምስ በዓልቲ ቤቱ ተራኺብና፡ ፍጹም ሰንቢዳ\" ክብል ንዘ ዳይሊ ቴሌግራፍ ተዛሪቡ። \"እቲ እትፈልጦ ሰብኣይ ነዚ ነገራት ክገብር ከም ዝኽእል ክትኣምኖ ኣይከኣለትን።\" መርመርቲ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ መንነቱ ከምዝተለለየ፡ እንተኾነ ግን ብሰንኪ ሞቱ ተወሳኺ ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድ ከምዘይክእል ነተን ግዳያት ገሊጾምለን ኣለዉ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1genvr0ejo"} {"headline":"ህቡብ ኣመሪካዊ ድምጻዊ ኣር ኬሊ ብጾታዊ ግህሰት ን30 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ","content":"ኣመሪካዊ ድምጻዊ ኣር ኬሊ፡ ህቡብነቱ ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊ ቈልዑን ደቂ ኣንስትዮን ብዝፈጸሞ ጾታዊ ግህሰት ን30 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ። ወዲ 55 ዓመት ስነጥበባዊ ኣር ኤንድ ቢ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መስከረም ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝነበረ መጋባእያ ብምትላል ገንዘብን ገበናት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ኣንስትዮን ተኸሲሱ። ንዓመታት ክስታት ክቐርበሉ ዝጸንሐ ኣር.ኬሊ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝተኻየደ መጋባእያ፡ ዳኛ፡ እቲ ድምጻዊ “ንስቓይ ደቂ ሰባት ግዲ ኣይነበሮን” ኢሉ። ጠበቓታት እቲ ድምጻዊ ሮበርት ሲለቨስተር ኬሊ ይግባይ ክብል ምዃኑ ገሊጾም። ቅድሚ ሕጂ፡ ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ምስክርነተን ክህባ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪበን እየን። ኣንጀላ ብዝብል ሽም ጥራይ እትፍለጥ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣር.ኬሊ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ግዳይ፡ “ብእከይ ተግባራት ዝዓበየ’ዩ” ክትብል እንከላ ካልኦት ሽመን ዘይተጠቕሳ መንፈሰን ከም ዝሰበሮ ገሊጸን። ሓንቲ እውን፡ “ብሰንኪ እቲ ክስምዓኒ ዝገበርካዮ ሞት ምመረጽኩ” ክትብል ተዛሪባ። ናይ ቤት ማእሰርቲ ካኪ ክዳንን መነጽርን ገይሩ ዝቐረበ ኣር.ኬሊ፡ ብዛዕባ'ቲ ዝተዋህበ ፍርዲ ኣመልኪቱ መግለጺ ይኵን ርእይቶ ክህብ ፍቓደኛ ኣይኰነን። ዳኛ ኣን ዶንሊ፡ እቲ ስነጥበባዊ ጾታዊ ርክብ ከም ኣጽዋር ተጠቒሙ፣ ግዳያት ክትዛረቦ ዝኸብድ ነገራት ክገብራ ኣገዲዱን ገሊአን ብጾታዊ ርክብ ንዝመሓላለፉ ሕማማት ንኽቃልዓ ገይሩ ኢላ። እዚ ‘I Believe I Can Fly’ ከምኡ’ውን ‘Ignition’ ብዝብላ ደርፊታት ዝፍለጥ ድምጻዊ፡ ህቡብነቱ ተጠቒሙ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ቈልዑን ጾታዊ ግህሰት ክፍጽም ምጽንሑ ቤት ፍርዲ ገሊጹ። ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን ንሽዱሽተ ሰሙናት ክካየድ ዝጸንሐ መጋብኣያ፡ ዳያኑ እቲ ድምጻዊ ብኣካየድቲ ስራሕ፣ ዋርድያታትን ካልኦት ኣባላት ስራሕቱን ተሓጊዙ ኣብ ዝተፈላለያ ግዝኣታት ኣመሪካ ንጾታዊ ጊላነት ዝተገደዳ ደቂ ኣንስትዮ ብኸመይ የሰጋግር ከም ዝነበረ ክሰምዑ ቀንዮም። ብተወሳኺ፡ ድምጻዊት ኣሊያህ፡ ቅድሚ ብሓደጋ ነፋሪት ምማታ ብ1994 ዓ.ም [ኣ.ኤ.] ጓል 15 ዓመት እናሃለወት ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተመርዓወሉ ወረቓቕቲ’ውን ኣብቲ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም። እቲ ልሒኹ ዝወጽአ ናይ መርዓ ሰርተፊኬት ኤሊያህ ጓል 18 ዓመት ምዃና ይገልጽ። እንተዀነ እቲ መርዓ ድሕሪ ኣዋርሕ ተሰሪዙ’ዩ። ምስ ኣርኬሊ እትደርፍ ዝነበረት ጆቫኔት ካኒንግሃም፡ “ክሳብ ሎሚ ኣብ ህይወተይ፡ ጸለምትን ሕብራውን ደቂ ኣንስትዮ ፍትሒ ክረኽባ እየን ኢለ ኣሚነ ኣይፈልጥን። ሕጂ ግን ብሓበን ኣብ ቅድሚ እቲ ስርዓተ ፍትሒ ደው ኢለ ኣለኹ፤ በቲ ዝተዋህበ ፍርዲ ድማ ተሓጒሰን ከማይ ብዝኣመሰላ ውጻእ መዓት [ግዳያት] ተሓቢነን” ኢላ። ዓቀብቲ ሕጊ ፌደራል፡ ኬሊ ብማእሰርቲ ልዕሊ 25 ዓመት ክቕጻዕ ሓቲቶም ነይሮም። ጠበቓታቱ ድማ ብውሑድ 10 ዓመት ክኸውን ሓቲቶም። ንሱ፡ ኣብ ውሽጢ ዘቤታዊ ዓመጻት ዝነበሮ ድኻ ስድራቤት ከም ዝዓበየን ኣብ ቍልዕነቱ ብጾታዊ ግህሰት ዝተበደለን እዩ እውን ኢሎም። ኬሊ፡ ካብ ሓምለ 2019 ጀሚሩ ኣብ ቀይዲ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ። ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ብ2020 ሓደ እሱር ክሃርሞ እንከሎ ኣብዚ ዓመት ድማ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ ነይሩ። እቲ ድምጻዊ፡ ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ነሓሰ ናብ ቤት ፍርዲ ቺካጐ ዝቐርብ ኰይኑ ክስታት ምስልታት ጾታዊ ርክብ ህጻናትን ዕግታን ክቐርቡሉ’ዮም። ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ኢሊኖይስን ሚኒሶታን’ውን ክስታት ጾታዊ ግህሰት ክቐርበሉ’ዩ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c6p3lgd8qjjo"} {"headline":"ሓድሽ ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ እንታይ ይብል?","content":"መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፡ መንግስቲ ኢትዮጲያ ተሓታቲ ምዃኑ ከም ዝኣምን፡ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ገሊጹ። እሙን ንዝበሎ ምንጪ ሓበሬታ ምርኩስ ዝገበረ ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጲያ ከም ዘመልክቶ፡ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጲያ እኹል ዕድመ ንዝበጽሑ ደቂ ተባዕትዮ ተጋሩ ዒላማ ዝገበረ መጠነ ሰፊሕ ቅትለት ፈጺሞም ኣለው ይብል። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ብኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝወጽአ ጸብጻብ ነጺግዎ ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ዝወጽአ ጸብጻብ “ህዉኽ፡ ደረጅኡ ዘይሓለወን ናቱ ኣጀንዳ ዘለዎን’ዩ” ብምባል ከምዝነጸጎ ኣፍሊጡ ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምስዓብ፡ ኣቐዲሞም ሰብኣዊ ግህሰት ዝፈጸሙ ናብ ሕጊ ከምዘቕረበ’ውን ገሊጹ። እቲ መርመሪ ጕጅለ ፡ ጥሜት ከም መሳርሒ ኲናት የገልግል ምህላው መርትዖ ከም ዘለዎ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣስፊሩ’ሎ። ብዘይካ’ዚ፡ ሓይልታት ትግራይ እውን ኣብ ልዕሊ፡ ኣብ ግጭት ዘይተሳተፉ ሲቪል ሰባት ቅትለት፡ ከምኡ’ውን ዓመጽ፡ ዝምታን ዕንወት ንብረትን መሰረተ ልምዓት ሲቪላውያንን ከም ዘውረዱ፡ ዘመላኽት ጭቡጥ መርትዖ ከም ዝረኸበ ኣመልኪቱ። ብኻልእ ወገን’ውን፡ ሓይልታት ኤርትራን ዕጡቓት ፋኖን ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ተጋሩ ሰፊሕ ጾታዊ ዓመጻት ምፍጻሞም ጭቡጥ ሓበሬታ ከም ዘለዎ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። መንግስቲ ኤርትራ ግን ነቲ ክሲ ብተደጋጋሚ ክነጽጐ ጸኒሑ’ዩ። እቲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጲያ ዝወጽአ ሓድሽ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ ኵሎም እቶም ኣብዚ ካልኣይ ዓመቱ ቀሪቡ ዘሎ ኲናት ዝተሳተፉ ሓይልታት፡ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸሙ ይኸስስ። እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ድማ ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ኣመልኪቱ። ሰበስልጣን ትግራይ ነዚ ዝቐረበ ጸብጻብ ተቐቢሎምዎ ኣለው። ኣፈኛ መንግስቲ ትግራይ፡ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ - ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ - ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ነቲ ኣብቲ ክልል ዝተፈጸመ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓላፍነት ከም ዝወስድ ብተደጋጋሚ ከረጋግጹ ከም ዝጸንሑ ገሊጹ። መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጲያ፡ ሓይልታት ኤርትራን ትግራይን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ቅትለት፡ ምጭዋይ፡ ምስዋር፡ ዓመጽን ጾታዊ መጥቃዕትን ዘጠቓልሉ ግህሰታት ከም ዝተፈጸሙ ኣመልኪቱ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጲያ፡ ነዊሕ ንዝኸደ ኣድልዎ፡ ኣፈላላይን ግህሰትን ተቓሊዖም ከምዝጸንሑ እቲ ጸብጻብ ኣረዲኡ። እዚ፡ ድሕሪ ኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ሰብኣዊ ምቍራጽ ተጻብኦ ዳግም ዝተባርዐ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ፡ ተወሳኺ ግፍዒታት ከስዕብ ከም ዝኽእል፡ እቲ ኮሚሽን ኣጠንቒቑ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ እቲ ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ምቁራጽ ተጻብኦ ኣብቒዑ፡ ኣብቲ ዞባ ዳግም ኲናት ከምዝተወለዐ ይፍለጥ። እዚ ኲናት፡ ዳግም ቅድሚ ምውልዑ ንኽልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት ንምሽምጋል ኣዋርሕ ዝወሰዱ ጻዕርታት'ኳ እንተተገብሩ፡ እቲ ደማዊ ኲናት ደው ከብል ዘኽእል ውጽኢት ግን ኣይተረኽበን። ኲናት ትግራይ ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ስፊሕ ምፍንቓልን ጥምየትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ እዩ። ብሰንኪ'ቲ ኲናት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣደዳ ጥምየት ክዀኑ እንከለዉ፡ ንዓጸቦ ዝተቓልዑ'ውን ውሑዳት ኣይኰኑን። ብፍላይ ኣብታ ኣብ ምሉእ ዕጽዋ እትርከብ ክልል ትግራይ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት፡ ባንኪ፡ ተሌፎን፡ መብራህቲን መጓዓዝያን ብምቍራጹ ነበርቲ እታ ክልል ንሕሰም ተቓሊዖም ይርከቡ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cy7dgd1874ro"} {"headline":"ኣባል ባይቶ ሰኔጋል ንምንታይ’ዩ ንመሳርሕቱ ኣብ ኣኼባ  ቤት-ምኽሪ ወቒዕዋ?","content":"ኣብ ሰኔጋል ሓደ ኣርቃቒ ሕጊ ኣብ ኣኼባ ባይቶ እታ ሃገር ንመሳርሕቱ ምውቕዑ ስዒቡ፡ ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ዕግርግር ተፈጢሩ። እቲ ኣርቃቒ ሕጊ ነታ ጓልኣንስተይቲ መሳርሕቱ እንትወቕዓ፡ እቲ ፍፃመ ብቐጥታ ፈነወ ተሌቬዥን እታ ሃገር ይመሓላለፍ ነይሩ። ካብ ፖለቲካዊ ውድብ ተቓውሞ ኣባል እቲ ባይቶ ዝኾነ ማሳታ ሳምብ ካብ መድረኽ ብምውራድ፡ ናብታ ኤሚ ንዲየ ኒቢ ዝተብሃለት ኣባል ገዛኢ ውድብ ቤኖ ቦክ ያካር  ዝኾነት ኣርቓቒት ሕጊ ብምኻድ ኣካላዊ መውቃዕቲ ፈፂሙ። በዚ ድማ እቲ ኣብቲ ባይቶ ኣብ ጉዳይ ባጀት ዝቐርብ ዝነበረ ፀብፃብ ተኾሊፉ። ወይዘሪት ኤሚ'ውን፡ ነቲ ብማሳታ ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈፀመ መውቃዕቲ ሱቕ ኢላ ኣይሓለፈቶን፤ ካልኦት ኣባላት እቲ ባይቶ ቅድሚ ምግልጋሎም ብመንበር ነቲ ኣርቃቒ ሕጊ ብምውቃዕ ሕነኣ ፈድያ። እቲ ዕግርግር ክግታእ ብዘይምኽኣሉ ከኣ፡ እቲ ዝካየድ ዝነበረ ኣኼባ ቤት-ምኽሪ ተቛሪፁ። ማሳታ ሳምብ፡ ኣብ መድረኽ እቲ ባይቶ ኰይኑ፡ ኤሚ ኒቢ ኣቐዲማ ዝሃበቶ ርኢቶ “ስዲ (ስርዓት ዘይብሉ)” ከምዝኾነ ንኣባላት እቲ ባይቶ ከምዝተዛረበ መራኸብቲ ሓፋሽ ፀብፂበን። ብዘቆናፅብ ርኢቶ እቲ ኣርቃቒ ሕጊ ዝሓረቐት ወይዘሪት ኤሚ ድማ፡ ካብ ኮፍ ዝበለትሉ ተላዒላ “ኣይግድሰንን” ክትብል መሊሳትሉ። ነዚ ስዒቡ ሳምብ መደርኡ ብምቁራፅ እናተሃንደደ ናብኣ መፅዩ፡ ወቒዕዋ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ዝተኻየደ መረፃ ኣርቀቕቲ ሕጊ ስዒቡ፡ ገዛኢ ውድብ እታ ሃገር ዝበዝሕ መቐመጢ ካብ ዝሰኣነሉ ግዘ ጀሚሩ፡ ኣብ መንጎ እቲ ገዛኢ ውድብን ተቓወምቲ ፖለቲከኛታትን ውጥረት ዓሪጉ ኣሎ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/czq39v8evg0o"} {"headline":"ሓይልታት ትግራይ ተቘጻጺሮምዎ ኣብ ዝነበሩ ራያ ቆቦ እንታይ’ዩ ተፈጺሙ?","content":"ኣብ መፋርቕ ነሓሰ ዳግማይ ዝተላዕለ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምውልዑ፡ ሓይልታት ትግራይ ንኻልኣይ ግዜ ተቘጻጺሮምዎ ኣብ ዝነበሩ ሰሜን ወሎ፡ ኢደወነናዊ ቅትለትን ምግሃስ መሰላትን ከምዘካየዱ ነበርቲ ገሊጾም። እቶም ነበርቲ፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ወረዳ ራያ ቆቦ እትርከብ ከተማ ቆቦ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ዕጡቓት ቅትለት፡ ዓመጽ፡ ስቓይን ዝምታን ከምዝፈጸሙ ንቢቢሲ ሓቢሮም። ሓይልታት ትግራይ ናብታ ከተማ ኣትዮም ንብረት ናይቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ምልሻታት ብዘምጽኡወን መካይን ጽዒኖም ከም ዝወሰዱ ዝሕብር ሓደ ነባሪ፡ \"ብዙሓት ሰባት ቀቲሎም፤ ደቂ ኣባላት ምልሻ እየን ዝበሉወን ደቂ ኣንስትዮ ናብ ጫካ ወሲዶም ዓሚጾምወን፡\" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ። እቲ ውልቀሰብ፡ ኣብ ራያ ቆቦ ኣብ ሕርሻ ተዋፊሩ ዝነበረ ሓዉ፡ ካብቲ ኣብቲ ከባቢ ዳግማይ ዝተወለዐ ኲናት እናሃደመ እንከሎ ብዕጡቓት ሓይልታት ትግራይ ከምዝተቐትለ ይዛረብ። “ዓቢ ሓወይን ዓርኩን ኣብ ወሰን ጽርግያ ቀቲሎምዎ፤ ከምዝተቐትሉ፡ ካብቶም ሬሳኦም ዝቐበሩ ሰባት ኢና ሰሚዕና።\" ምስ ክልል ትግራይ ዝዳወብ ከባቢ ራያ ቆቦ ሓደ ካብቶም ሓያል ኲናት ዝተኻየደሎም ከባቢታት እዩ። ካብ 18 ነሓሰ 2014 [ግእዝ] ጀሚሩ ኣብዚ ግንባር ከቢድ ውግእ ከምዝተኻየደ ነበርቲ ይዛረቡ። በቲ ዝተኻየደ ኲናት ሓይልታት ትግራይ ዝበዝሕ ከባቢ ራያ ቆቦ ተቘጻጺሮም ጸኒሖም’ዮም። እቲ ኲናት ሕጂ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት እናተኻየደ ከምዘሎ ይፍለጥ። ሓይልታት ትግራይ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ካብ ቆቦ ወጺኦም’ኳ እንተዀኑ፡ ኣብታ ከተማን ኣብ ነበርታን ግን ጉድኣት ከምዘውረዱ እቶም ነበርቲ ይኸሱ። ቢቢሲ ካብ ነበርትን ካልኦት ምምሕዳራትን እቲ ከባቢ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይተዓወተን። ካብ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ክልል ትግራይ ዝኾነ ክንዲያ ገ\/ህይወት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ቆበ ዝተፈጺሙ ዝተባህለ ቅትለትን ዓመጽን ከምዘይተፈጸመ ብምግላጽ ነጺግዎ። እቲ ከምዚ ዓይነት ጉዳያት ድማ ዓለምለኻዊ ትካላት ተጣይሸን ኩሎም ገበናት ክጻረዩ ሓቲቱ። ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኩሎም ወገናት ብምግሃስ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ መሰላት ክኽሰሱ ጸኒሖም እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተኻየደ ሓበራዊ ምርመራ ገበናት ኲናት ከምዘጋጠመ መርትዖ ከምዘለዎም ገሊጾም ነይሮም። ካብ ፍርዲ ወጻኢ ዝተፈጸመ ቅትለት፡ ስቅያት፡ ምዕማጽን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ተመዛበልትን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ተሰኒዱ ይርከብ። ከተማ ቆቦ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ክትኣቱ ንኻልኣይ ግዜ ስለዝነበረ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብታ ከተማ ክጸንሑ ክውስኑ እንከለዉ ዝተወሰኑ ድማ ናብ ካልእ ከባቢታት ሃዲሞም ነይሮም። ኣለሙ ተሰማ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ብ 21 ነሓሰ 2014 [ግእዝ] ካብ ቆቦ ንደቡብ 17 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ሮቢት ኣብ ዝተቘጻጸርሉ እዋን ኣብ ሮቢት ከምዝነበረ ይገልጽ። “ቀዳም 21 ነሓሰ ንሮቢት ድሕሪ ምቍጽጻሮም ብዙሓት ሰባት ቀቲሎም።ንመብዛሕትና ኣሳቕዮምና። ብፍላይ ደቂ ተባዕትዮ ኣኪቦም ኣብ ሜዳ ንነዊሕ እዋን ኣንበርኪኾም ምስ ኣጽንሑና፡ ድሕሪኡ ፈቲሖምና\" ኢሉ። ቀትሪ’ኳ እንተፈትሕዎ፡ \"ለይቲ መጺኦም መሊሶም ህይወተይ ኣብ ሓደጋ ኣእትዮማ\" ክብል ነታ መዓልቲ ይዝክር። “ለይቲ 4፡30 [ኣቈጻጽራ ሰዓት ኢትዮጵያ ወይ 10፡30 ለይቲ] ገዛይ ኳሕኲሖም። ክቐትሉኒ ከም ዝመጹ ስለ ዝተረዳእኩ፡ ብመስኮት ዘሊለ ሃዲመ። ካብኡ ድማ ብጫካን ገደልን ገይረ ምሉእ ለይቲ ተጓዒዘ ወልድያ ኣትየ።” \"ኣብ ሮቢት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ብዙሓት መሓዙተይን ሰላማውያን ነበርቲን ካብ ገዛኦም ተተጐቲቶም ብሓይልታት ትግራይ ተቐቲሎም፡\" ይብል። ንሱ፡ ተቐቲሎም ክብል ብስም ዝጸውዖም ሰባት ኣብ ምልሻ ይዅን ኣብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዘይተሳተፉ ሲቪላት ምዃኖም ብምጥቃስ፡ ዕጡቓት ቅድሚ ሮቢት ምእታዎም \"ዝወግኣና ሲቪል፣ ስለዚ ሲቪል ክውቃዕ ኣለዎ\" ብዝብል ሕነ ንምፍዳይ ከም ዝቐተልዎም ይገልጽ። ኣብታ ካብ ሮቢት ብዙሕ ዘይትርሕቕ ንእሽቶ ከተማ ኣራዱም’ውን ሰላማውያን ነበርቲን ብቐረባ ዝፈልጦም መሓዙቱን ዝርከብዎም ልዕሊ 15 ሰባት ከምዝተቐትሉ ይሕብር። ሓይልታት ትግራይ ንከባቢ ራያ ቆቦ ድሕሪ ምቍጽጻሮም፡ ብፍላይ ንደቂ ተባዕትዮ ዒላማ ዝገበረ እዩ ዝተበሃለ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ብዙሓት ነበርቲ ብዝከኣሎም መንገዲ ናብ ዝቐረበ ከተማታት ከምዝሃደሙ ሓንቲ ኣደ ንቢቢሲ ገሊጻ። ክልተ ደቃ ናብ ወልድያ ከይዶም ዝነበሩ እታ ኣደ፡ ብሰንኪ’ዚ ኣብቲ ሕርሻ ዝነበረ ዘራእቲ ከም ዝተበላሸውን ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣጸጋሚ ግዜ ከም ዘሕለፉን ተዛሪባ። ኣራጋው ብዝብል ስም ክንጽውዖ ዝሓተተ ነባሪ ከተማ ቆቦ፡ ነቲ ቅትለት \"ጭካነ\" ብምባል፡ ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ምክልባትን ምዝማት ንብረትን ቅሬታኡ ይዛረብ። \"ንህጻናት ብብረት ብምፍርራሕ ናብ ገዛውቲ ዕጡቓት ክመርሕዎም ብምግዳድ የሸበሩና ነይሮም። እቲ ቀንዲ ዝደልይዎ ነገር ኣጽዋርን ገንዘብን'ዩ።\" ኣቶ ኣራጋው፡ \"ኣጽዋር ከምዘይብልና ወይ እቲ ኣጽዋር ኣለዎ ዝበሃል ሰብ ኣብቲ ቦታ ከምዘየለ ክንገሮም እንከሎ ይሃርሙን ይቐትሉን፡\" ይብል። ካብዚ ሓሊፉ እቶም ዕጡቓት ናብቲ ገዛ ኣትዮም ኣጽዋር እንተዘይረኺቦም ነቶም የብልናን ዝበሉ ገንዘቦም ከምጽኡ ከምዘገድዱን እቲ ኵነታት የጨንቘም ከምዝነበረን ይገልጽ። 18 ነሓሰ መሊሱ ኲናት ምስ ተላዕለ፡ ካብቶም ብቕጽበት ውግእ ዝጀመረሎም ቀበሌታት እቲ ቀንዲ ራማ ነይሩ። ቢቢሲ ዘዘራራረቦ ነባሪ እቲ ከባቢ ኣበበ [ስሙ ዝተቐየረ]፡ ኣብ ሰባትን ንብረትን ሰፊሕ ዕንወት ከምዝወረደ ገሊጹ። ኣበበ፡ ኣብ እዋን ኲናት ዝሞቱ ሰባት’ኳ እንተሃለዉ፡ ሓይልታት ትግራይ ነቲ ከባቢ ምስ ተቘጻጸርዎ፡ ኰነ ኢሎም ሰላማውያን ሰባት ከምዝቐተሉ እዩ ዝሕብር። \"ኣብዚ ቀበሌ ብውሕዱ 20 ዝፈልጦም ሰባት ብጭካነ ተቐቲሎም እዮም። ዕጥቂ ወድኻ ኣምጽእ፡ በዓል ቤትኪ ኣበይ ተሓቢኡ፡ ውላድካ ፋኖ ድዩ? ብዝብል ምኽንያት’ዮም ተቐቲሎም\" ይብል። መብዛሕትኦም እቶም ዝተቐተሉ ሰባት ኣብ ኲናት ዘይተሳተፉን ልዕሊ 70 ዓመት ዝዕድመኦምን ከምዝዀኑ’ውን ሓቢሩ። \"ሰለስተ ኣርባዕተ ግዜ ናብ ገዛ እታ 80 ዓመት ዝዕድመኣ ኣደይ ከይዶም፡ 'ዕጥቂ ወድኺ እንተዘይመጺእኪ ገዛኺ ዓጺና ከነቃጽለኪ ኢና' ምስበልዋ ሓወይ መጺኡ ዕጥቂ ምስ ኣረከበ ኣደይ ተፈቲሓ፡\" ይብል ኣበበ። ንሱ፡ ንብረት ሓረስቶት ካብ ምብላዕን ምዕናውን ሓሊፎም ኣግማሎም’ውን ንጽዕነት ከም ዝወስዱወን ወሲኹ ይገልጽ። ኣብቲ ቀበሌ ንደቂ 5ን 6ን ዓመት ህጻናትን ኣረጋውያንን ብጠበንጃ ኣገዲዶም፡ ኣባይቲ ምልሻን ዕጡቓትን ክሕብርዎም ይገብሩ።እቶም ዕጡቓት ምስ ረኸብዎም እውን፡ ካልኦት ዕጡቓት ‘ጠቁሙ’ ኢሎም ከም ዝሃርምዎም ንቢቢሲ ገሊጹ። ካልእ ነባሪ ራያ ቆቦ፡ ብሓይልታት ትግራይ ተቐቲሎም ብዛዕባ ዝተበሃሉ ሰባት ዝዀነ ሓበሬታ ከምዘይብሉ’ኳ እንተገለጸ፡ ኣብቲ ዝነብረሉ ኣብ ሸወይ ማርያም ግን ኣብቲ ኲናት ብዝተተኮሰ ከቢድ ኣጽዋር ኣረጋውያንን ህጻናትን ዝርከብዎም ብውሑዱ 10 ሰባት ምማቶም ከምዝሰምዐ ይዛረብ። ሓይልታት ትግራይ፡ ነቲ ከባቢ ድሕሪ ምቍጽጻሮም \"ንብረት ሓረስቶት ከዕንዉ፡ ክወስዱን፡ ክበልዑን\" ከምዝጸንሑ እውን ገሊጹ። ኣብ ገዛ ዝተረኽበ ምስ መግቢ ዝተኣሳሰር ዝዀነ ይኹን ንብረት ካብ ምውሳድ ብተወሳኺ ጥሪት እቶም ሓረስቶት ብሓይሊ ከምዝተመገቡ ይጠቅስ። ኣብቲ ንኣስታት ክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ኵሎም ተሳተፍቲ፡ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ሰላማውያን ሰባት ቅትለት፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ​​ከምኡ'ውን ንብረት ምዝማትን ምዕናውን ከምዝፈጸሙ ይኽሰሱ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cx0yqwlxwv4o"} {"headline":"ኣብ ዘተ ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ዘየሰማምዑ ጉዳያት","content":"እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ደማዊ ኵናት ትግራይ፡ ካልኣይ ዓመቱ ክመልእ ሒደት መዓልታት ጥራሕ ተሪፍዎ ኣሎ። እዚ ኵናት ሕድሕድ፡ ጠንቂ ሞት ኣሽሓት ሰባት እንትኾን፡  ከም ገበናት ኵናትን መጠነ ሰፊህ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰልን ተፈፂምዎ እዩ። ንሚልየናት ካብ መረበቶም ኣመዛቢሉ፣ መሰረተ ልምዓታት ኣእኒዉን፡ ከቢድ ቅልውላው ኣስዒቡን እዩ። ምናልባት ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ቀረባ እዋን ታሪኽ እቲ ዝሓሰመ ደማዊ ኵናት ከም ዝኾነ ዝንገረሉ እዚ ኵናት፡ ካብ 600 ሽሕ ክሳብ 800 ሽሕ ሂወት ሰባት ከም ዝበልዐ፡ ነዚ ኵናት ብቀረባ ዝከታተሉ ተንተንቲ ከም በዓል ኣሌክስ ዲ ዋልን ዓብዱል ራሕማን ሰይድን ተንተንቲ ይገልፁ። እዚ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት፣ ድሮናትን ብልፍንቲ ኣንፃር ሓይልታት ትግራይ የካይድዎ ዘለዉ ኵናት፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ እንተድኣ ዘይተገይርሉ፡ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰልን ብጥሜት ምሟትን፡ ዕጫ ብዙሓት ኰይኑ ምቕፃሉ ኣይተርፍን። እዚ ኵናት ሰላማዊ ዕልባት ክረክብ፡ ኣብዚ ሰሙን ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምእዘንን ኣሜሪካን ሕቡራት ሃገራትን ዝዕዘብዎ ዘተ ሰላም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተጀሚሩ ኣሎ። መራሕቲ ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ተዳራደርቶም ልኢኾም’ዮም። እዚ ኣብ ፕሪቶርያ ይካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም፡ ሕቶታት ሉኣላውነት፣ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን፣ ኣብ ትግራይ ዝተቛረፁ መሰረታዊ ኣገልግሎታት፣ ሰብኣዊ ረድኤትን መሬት ይግበኣንን ዝለዓለሉ ከም ዝኸውን  ኣብ ባይታ ዘለዉ ጉዳያት የአንፍቱ። ኣብዚ ኵናት ብቐጥታ ይሳተፉ ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ፣ መንግስቲ ፌደራልን መሻርኽቱ ሰራዊት ኤርትራ፣ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ነናይ ባዕሎም ድሌታት ኣለዎም። ዋላ’ኳ እዚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተጀመረ ሰላማዊ ዝርርብ፡ ውፅኢታዊ ክኸውን ወሳኒ እንተኾነ፡ ከይዲ እቲ ድርድር ግና ነዚ ዝተሓላለኸ ኵናት ቀሊል ከይኸውን ይኽእል። ንምዃኑ፡ እዚ ደማዊ ኵናት ብዘተ ሰላም ዕልባት ከይረክብ፡ በዳህቲ ክኾኑ ዝኽእሉ ምኽንያታት ኣየኖት’ዮም? ንኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ኤርትራን ዘዳውብ ምዕራብ ትግራይ፡ ንተጋሩ ናይ ህልውና ጉዳይ፡ ሓይልታት ኣምሓራ ድማ ሕቶ ‘ይግበአኒ’ ዘልዕልሉ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ረብሕኡ ዝለዓለ ከባቢ እዩ። ካብ ትግራይ ብዝዘለለ፡ ኢትዮጵያ፡ ምስ ኤርትራ ብምዕራብ ትግራይ ትዳወብ እያ ። መሬት ምዕራብ ትግራይ ልሙዕ እንትኾን፡ ኢትዮጵያ ናብ ሃገራት ወፃኢ ሰደድ ካብ ትገብሮ ቡን ቀፂሉ፡ ምንጪ ልዑል ሸርፊ ወፃኢ ዝኾነ ሰሊጥ ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝሕፈስ እዩ። ሰፋሕቲ ሕርሻታት ሰሊጥ ሑመራ፡ ንብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት፡ ሕምባሻን እንጀራን እዮም። ኵናት ትግራይ ምስ ተወልዐ፡ ፍሉይ ሓይሊ፣ ሚሊሻን ፋኖን ክልል ኣምሓራ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ፌደራል ብምስላፍ ንምዕራብ ትግራይ ከም ዝተቖፃፀርዎ ይፍለጥ። ስዒቡ’ውን ሰብመዚ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ፡ ምዕራብ ትግራይ ዝበሃል “ከም ዘይፈልጡን” ምዕራብ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሮም ከምዝኾነ ክገልፁ ተሰሚዖም። ነዚ ኵናት ልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ሚልየን ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ህይወቱ ንምድሓን ናብ ሱዳንን ካልኦት ከባብታትን ከም ዝተመዛበለ ይግለፅ። ዓለምለኸ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን፡ ብዕጡቓት ፋኖ ክልል ኣምሓራ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ምፅናት ዓሌትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ከም ዝተፈፀመ ገሊፆም ነይሮም። መንግስቲ ትግራይ፡ እዚ ከባቢ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ግዝኣት ትግራይ ከምዝኾነ ብምጥቃስ፡ ምዕራብ ትግራይ ቅድሚ እቲ ኵናት ናብ ዝነበረ ቦትኡ ክምለስ ይግባእ ኢሎም ክሙግቱ ይኽእሉ’ዮም። ንኣምሓራ ዝካትዑ ድማ፡ ኣብ ግዘ ኢህወደግ ናብ ትግራይ ከም ዝተዋሰነን ታሪኻዊ ድሕረ ባይትኡን ብምሕባር፡ ነዚ ሕቶ ክነፅግዎ ይኽእሉ’ዮም። እንተኾነ ብወገን ትግራይ፡ ቋንቋ መሰረት ዝገበረ ብሄር ተኮር ፌደራሊዝምን ታሪኽን ብምልዓል፡ ምዕራብ ትግራይ፡ ኣካል ትግራይ ከም ዝኾነን ናብ ድርድር ዝኣቱ ከምዘይኮነን ብተደጋጋሚ የገንዝቡ። ካብ ቁጠባውን ፖለቲካውን ረብሑ ብዝዛየደ ጉዳይ ህልውናን መንነትን ዝኾነ ምዕራብ ትግራይ፡ ቀንዲ መዘራረቢ ጉዳይ እቲ ዘተ ሰላም ክኸውን ይኽእል። ዘተ ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን፣ ሰራዊት ኤርትራን ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ኣብ ዝተቖፃፀርሉ ግዘ እዩ ዝካየድ ዘሎ። መራሕቲ ትግራይ፡ ልፍንታዊ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ ዝተቖፃፀርዎም ከባብታት ሽረ፣ ኣክሱም፣ ኣላማጣን ንክወፅኡ ይሓቱ ዘለዉ ኰይኖም፡ ኣብዚ ዘተ ሰላም ካብ መንጐ ዝለኣሉ ዛእባታት ሓደ ከም ዝኾነ ድማ ይግለፅ። ኣብዚ እዋን፡ ንሓደ ሓደ ከተማታት ትግራይ ዝተቖፃፀረ መንንግስቲ ፌደራል፡ ኣብዚ ዘተ፡ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ክፈትሑ ሕቶ ከልዕል ይኽእል። ሰብመዚ ፌደራልን ደገፍቶምን፡ ‘ኣብ ሓደ ሃገር ክልተ ሰራዊት ክህሉ ኣይኽእልን’ ብምባል ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ክፈትሑ ኣለዎም ይብሉ። እዚ ይካየድ ዘሎ ኵናት ናይ ህልውና ኵናት ምዃኑ ዝኣምኑ ተጋሩ ድማ፡ ኩለን ክልላት ኢትዮጵያ ናይ ባዕለን ክልላዊ ሓይሊ ክህልወን ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ከም ዝፈቅድ፣ እቲ ሕዚ ሓይልታት ትግራይ ተዓጢቐሞ ዘለዉ ኣፅዋር እውን ንትግራይ ‘ከጥቅዕ ካብ ዝመፅአ ሰራዊት ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ዝመንዝዕዎ’ ምዃኑ ብምግላፅ ይሙግቱ። ብርግፅ ኣብዚ እዋን መራሕቲ ትግራይ፡ ኣብቲ ‘ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ’ ዝብልዎ  ሰራዊት ክንደየናይ ዝኣክል ተዋጋእትን መሳርሒ ኵናትን ከምዘለዎም ዝፍለጥ’ኳ እንተዘይኰነ፡ ቅድሚ ሕዚ ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣዲስ ኣበባ ንምእታው ኣብ ኣፍ ደገ በፂሖም ስለ ዝነበሩ፡ መንግስቲ ፌደራል የስግኡኒ’ዮም ኢሉ ብምሕሳብ፡ ተደራደርቲ መንግስቲ እታ ሃገር፡ ሓይልታት ትግራይ ‘ዕጥቆም ይፍትሑ’ ኢሎም ክሓቱ ይኽእሉ። መራሕቲ ትግራይ፡ ኣብታ ካብ መንግስቲ ፌደራል ባጀት ካብ ዘይስለዐላ ሒደት ዓመታት ዘቑፀረትን ኣብቲ ፌደራላዊ ስርዓት ዋላ ሓደ ውክልና ዘይብላን ትግራይ፡ እቲ ኵናት ብሰላም ምፍታሕ ደኣ’ምበር ምፍታሕ ዕጥቂ በፍፁም ኣጀንዳ ከም ዘይኸውን ክዛረቡ ይስምዑ። ብፀላእቲ ሓይልታት፡ ብሰሜን፣ ብምብራቕን ደቡብን ተኸቢብና ኢና ብዝብሉ ሓይልታት ትግራይ፡ ምእንተ ሰላም ዕጥቂ ምፍታሕ ኣማራፂ ከይኸውን ይኽእል። “ህላወና ኣብ ሓደጋ’ዩ፣ ነዚ ኣብልዕሊ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ዕፅዋን ክባን ንምፍንፃሕ፡ ሰላማዊ ኮነ ወተሃደራዊ ኣማራፂ ክንጥቀም ኢና፤ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ኣብዚ’ዩ ክቕበር” ንዝብሉ ሓይልታት  ትግራይ ሕቶ ‘ዕጥቂ ፍትሑ’ ክቕበልዎ ዝኽእሉ ጉዳይ ኣይኰነን። ሓይልታት ትግራይ፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ፡ ንኤርትራ ብምዕዳም ኣብ ልዕሊ ህዝብና መጠነ ሰፊሕ ወራርን ግህሰትን ተፈፂሙ’ዩ ብምባል፡ “ንህዝብና ክንሕሉ ንኽእል ንሕና ኢና” ዝብል ምኽንያት የቕርቡ። እቲ ካልእ ጉዳይ፡ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ፌደራል ተሰሊፋ ትዋጋእ ዘላ ናይ ኤርትራ ጉዳይ እዩ። ኤርትራ ኣብዚ ዘተ ሰላም፡ ድሌተይ ኣይተማልአን ኢላ እንተድኣ ትሓስብ ኰይና፡ ውፅኢት እዚ ሰላም ኣብ ሕቶ ምልክት ክኣቱ ይኽእል እዩ። ኤርትራ እንታይ ዓእነት ድሌት እንተዝህልዋ’ዩ፡ ሰራዊታ ናብ ትግራይ ልኢኻ? ኣስመራ፡ ህወሓት ኣብዚ ዞባ ምህላዉ ንድሕነተይ ስግኣት’ዩ ክትብል ፀኒሓ። ተንተንቲ ፖለቲካ፡ ኤርትራ ናብ ኵናት ትግራይ ንምእታው ዝተፈላለዩ ምኽንያት ከም ዘለዋ ይገልፁ። ኣብዱራሕማን ሰይድ፡ እቲ ቀንዲ ምኽንያት፡ ኢሳያስ ምስ ህወሓት ዘለዎ ቂምን ህወሓት ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ፅልዋ ፈጣሪ ኰይኑ ከም ዘይቕፅል ንምርግጋፅ እዩ ይብል። ኣብዚ ቀረባ እዋን መንግስቲ ኤርትራ ፃውዒት ክተት ብምእዋጅ ጥንኩር ግፋ የካይድ ከም ዘሎን፡ “ሕዚ ኣብ ናይ መወዳእታ ጉዳይ ህልውና ኢና ንርከብ፣ ወያነ ክቕበር ኣለዎ፣ ደቅኹም እንድሕር ዘይሂብኩም ንዝበፅሕ ሳዕቤን ተሓተትቲ ኢኹም” ከም ዝብልዎም ንቢቢሲ ገሊፆም’ዮም። እቲ ካልእ ጉዳይ መሬት እዩ። ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኵናት ስዒቡ፡ ኮምሽን ዶብ ኢትዮ ኤርትራ፡ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ብይን ኣሕሊፉ። ክልቲአን ሃገራት  ካብ መንጐ ዝተዋግኣሉ ከባብታት ባድመ ግዝኣት ኤርትራ ክትኸውን፡ ኣብ ምምሕዳር ኤርትራ ዝነበረ ከባቢ ፆረና ድማ ንኢትዮጵያ ክኸውን ተበይኑ። እቲ ኮምሽን፡ ሕግታት ባዕዳዊ መግዛእትን ዓለም ለኸ ሕግታትን መሰረት ብምግባር እዩ ነዚ ውሳነ ሓሊፉ። ኣብቲ እዋን ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ምጥራር ዶብ ብዘይ ሓደ ቅድመ ግምት ተግባራዊ እንተኰይኑ ፀገም ክፍጠር’ዩ ኢሉ። ስለዝኾነ ድማ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ተወሳኺ ዝርርብ ክካየድ ጠሊቡ፤ ኤርትራ ግና ከይተቐበለቶ ተሪፋ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ፡ ነዚ ውሳነ ተቐቢሉ ሰራዊቱ ካብ ባድመ ከውፅእ ፍቓደኛ ኣይኰነን። ነዚ ስዒቡ፡ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ውጥረት ዓሲልዎ ፀኒሑ፤ ኤርትራ ውዕል ኣልጀርስ ተግባራዊ ክኸውን ክትሓትት ፀኒሓ። ኤርትራ፡ ንዓመታትመሩታ ከም ዝተወሳዳን በቲ ብልዕልና ህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ተኸልኪላ ከም ዝፀንሐት ክትርስዖ ዘይትኽእል ጉዳይ ከም ዝኾነን ዓመታት ክትዛረብ ከም ዝፀንሐት ይፍለጥ። እንተኾነ ኵናት ትግራይ ቅድሚ ምውልዑ፡ ኮሚቴ ስራሕ ፈፃሚት ኢህወደግ 11 ሰነ 2010 ኣቆፃፅራ ግእዝ፡ ንልዕሊ ክለተ ዓሰርተታት ዓመታት ንክልቲአን ሃገራት ኣፋጢጥወን ዝፀንሐ ጉዳይ ብምግታእ፡ ንውዕል ኣልጀርስንውሳነ ኮምሽን ዶብን ከም ዝተቐበለ ብምውሳን ንተግባራውነቱ ከም ዝሰርሕ ገሊፁ። ኣብቲ እዋን መንግስቲ ኤርትራ’ውን፡ ነቲ ፃውዒት ሰላም ብምቕባል፡ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ርክብን ሰላምን ናብ ቦትኡ ንምምላስን ቀፃልነቱ ንምርግጋፅን ክስራሕ ፃውዒት ኣቕሪቡ። ኣብ ኵናት ትግራይ፡ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኰይና ትዋጋእ ዘላ ኤርትራ፡ ሰራዊታ ኣብ ባድመ ሓዊሱ፡ ኣብ ሽረ እንዳስላሰን ካልኦት ከተማታትን ትግራይ ከም ዝርከብ ዝተፈላለዩ መንግስታትን ትካላትን ዓለም ይገልፁ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣሜሪካ፣ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣውሮጳን፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወፅእ ምፅወዖም ይፍለጥ። ሕብረት ኣውሮጳ፡ “ኤርትራ ኣብ ኵናት ትግራይ ኣዕናዋይ ግደ ተበርክት ኣላ” ኢሉ ንዘውፅኦ ፀብፃብ፡ ኤርትራ፡ “ንተበዳሊ ምውቃስን ብስም ሰብኣውነት ሽፋን ንገበነኛ ናይ ምድሓን ተግባር” ብምባል ነፂጋቶ። እዚ ኣብ  ዝሓለፈ ሰሉስ 25 ጥቅምቲ 2022 ዝጀመረ ዘተ ሰላም፡ ፅባሕ ሰምበት 30 ጥቅምቲ 2022 እንትዛዘም፡ ክልቲኦም ወገናት ተሰማሚዐምሎም ክበሃሉ ካብ መንጐ ዝኽእሉ ጉዳያት፡ ምጅማር ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤትን መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ክኾኑ ይኽእሉ። እዚ፡ ድሌት ትግራይ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ማሕበረሰብ ዓለም’ውን ናብ ትግራይ ብዘይ ቅድመ ኩነትን ገደብን  ሰብኣዊ ረድኤት ክኣቱን፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተቛረፁ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱ ብተደጋጋሚ  እዩ ዝፅውዕ ዘሎ። ዋላ’ኳ መንግስቲ ፌደራል ንተጋሩ ሰብኣዊ ረድኤት ከእቱ እየ እንተበለ፡ ዛጊድ ኣብ ትግራይ ናብ ንቡር ዝተመለሰ መሰረታዊ ኣገልግሎት ኰነ ፡ ድሕሪ እቲ ከም ብሓድሽ ዝተወልዐ ኵናት ዝኣተወ ረድኤት የለን። ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃባት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዕፅዋን ከም ዘንበረን ጥሜት ከም መሳርሒ ኵናት ይጥቀም ከም ዘሎን ገሊፁ። ካብ መንጐ ላዕለዎት መራሕቲ መንግስቲ ትግራይ፡ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት፡ ተዳራደርቲ ትግራይ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዝኸዱ ብምሕባር፡ እቲ ኵናት ብቕልጡፍ ደው ክብል፣ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ክቐርብን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወፅእን ከም ዝጠልቡ ብመገዲ ትዊተር ኣፍሊጡ እዩ። ነዚ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም ትዕዘቦ ዘላ ኣሜሪካ’ውን፡ እቲ ኵናት ደው ብምባል ሰብኣዊ ረድኤት ምእታው ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ ጉዳይ ከም ዝኾነ ገሊፃ። ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ምጅማር እቲ ዘተ ሰላም ምስ ቀዳማይ ሚቢስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝገበሮ ናይ ስልኪ ዝርርብ፡ እቲ ጎንፂ ብቅልጡፍ ደው ክብል፣ እቶም ተደራደርቲ ሰብኣዊ ረድኤት ንዘድልዮም ብዘይገደብ ሓገዝ ክበፅሕ፣ ድሕነት ሰላማውያን ሰባት ንምውሓስ ስጉምቲ ክወስዱን ሰራዊት ኤርትራ ክወፅኡን ኣብ ስምምዕ ክበፅሑ ፀዊዑ። ኣብዚ ዘተ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ዝተቖፃፀሮም ከባብታት ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብፃሕን ዝተቛረፁ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክመልስን ክሰማማዕ ይኽእል’ዩ። ኣብዚ ኵናት ይሳተፉ ዘለዉ ኩሎም ወገናት፡ ብዝተፈላለየ ደረጃ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ከምዝፈፀሙ ዝተፈላለዩ ፀብፃባት ኣቃሊዖም’ዮም። ገበናት ኵናት፣ ኣብ ልዕሊ ደቂሰባት ዝፍፀሙ ገበናት፣ ካብ ሕጊ ወፃኢ ዝኾኑ ቅትለታት፣ፆታዊ ዓመፅ፣ ምስቓይ፣ ምስቓይ፣ ምዝማት፣ ማእሰርቲ፣ ናይ ውልቀን ህዝባውን መሰረተ ልምዓታት ምዕናው ዝበሉ፡ ኣብዚ ኵናት ዝተፈፀሙ ገበናት እዮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝምርምር ጉጅለ ብምጥያሽ፡ ገበን ፈፂሞም ዝተብሃሉ ኣባላት ሰራዊት እታ ሃገር ስጉምቲ ይወስድ ኣለኹ እዩ ዝብል። እንተኾነ እዚ ብዘይሻራዊ ኣካል ኣይተረጋገፀን። መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ፡ ናፃን ዘይሻራውን ዝኾነ ዓለምለኻዊ ኣካል ምርመራ ከካይድን፡ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ክቐርቡን ይፅውዕ። ንኣብነት፡ ቤት-ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሕድሕድ ኵናት ኢትዮጵያ ንዝተፈፀሙ ግህሰታት ዘፃርይ ኮምሽን ምርመራ፡ ብወገን ትግራይ ተቐባልነት ክረክብ እንከሎ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ተቓውሞ የስማዕ። ፀብፃብ እዚ ኮምሽን፡ ኣብዚ ኵናት፡ ፆታዊ ዓመፅ፣ ብሃበ ተረኸበ ቅትለት  ከምዝተፈፀመን፡ ጥሜት ከም መሳርሒ ኵናት ኣብ ጥቕሚ ከም ዝወዓለን ኣቃሊዑ እዩ። እዚ ኵናት ኣብ ዝሓለፈ 24 ጥቅምቲ 2013 ኣቆፃፅራ ግእዝ ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝተፈፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ከም መሳርሒ ኵናት ኣብ ጥቕሚ ምውዓሎም ዘርእዩ ርትዓዊ መረዳእታታት ኣለዉ ኢሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነዚ ፀብፃብ፡ “ብመረዳእታ ዘይተደገፈን ምስሊ እታ ሃገር ብሕማቕ ንምቕራብ ዝዓለመን እዩ” ክብል ነፂግዎ። ዋላ’ኳ ኣባላት ሰራዊት ንዝፈፀምዎም ገበናት ብኸመይ ብሕጊ ክሕተቱ ይኽእሉ? ነዚ ጉዳይ’ከ መን ይምርምሮ? መን ይዳንዮ? ቅፅዓቶም’ኸ ብኸሜእ ተፈፃሚ ይኸውን? ንዝብሉ ሕቶታት መልሲ እንተዘይሃለወ፡ ክልቲኦም ወገናት ገበነኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ብሓሳብ እንተድኣ ተሰማሚዖም፡ ተፈፃምነቱ ግና ክጓተት ዝኽእለሉ ኩነታት ክፍጠር ይኽእል።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c06x1jyg7d4o"} {"headline":"ካርዲናል ዝርከቦም 11 ኣቡናት ብጾታዊ ዓመጽ ተኸሲሶም","content":"ካርዲናል ፈረንሳ ጂን-ፒየር ሪቻርድ ሓደ ካብቶም ብጾታዊ ዓመጽ ዝተኸሰሱ 11 ኣብ ኣገልግሎት ዘለዉ ወይ ኣቡናት ነበር ከም ዝዀኑ እታ ቤተ ክርስቲያን ገሊጻ። እቶም ካርዲናል ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ቅድሚ 35 ዓመት ካህን ሰበኻ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ንሓንቲ ጓል 14 ዓመት ከም ዝዓመጹን፡ ሕጂ ካብ ኣገልግሎት ከም ዝርሕቁን ሓቢሮም። ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ፈረንሳ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝንቀሳቐሱ ኣሽሓት ምስ ህጻናት ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ ሰባት ምህላዎም ዘርኢ መርትዖ ተረኺቡ ነይሩ። ኵሎም እቶም ሕጂ ብጾታዊ ዓመጽ ዝኽሰሱ ዘለው 11 ካህናት፡ ኣብታ ቤተክርስቲያን ክሲ ወይ ስነምግባራዊ ስጕምቲ ክውሰዶም ትጽቢት ይግበር። እዚ፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ፈረንሳ ኣብ ሉርድስ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ኣቡናት ፈረንሳ እዩ ወግዓዊ ኰይኑ ዘሎ። ሊቀ ጳጳሳት ኤሪክ ደ ሞሊንስ-ቢውፎርት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቅድሚ 20 ዓመታት ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሞም ብዝብል ክሲ ካብ ኣገልግሎት ዝተሰናበቱ ሓደ ኣቡን ክረተል ነበር ሚቸል ሳንቲየር ዝርከቡዎም 11 ካህናት ምዃኖም ሓቢሮም። እቲ ካብ ካርዲናል ሪቻርድ ዝተጻሕፈ ደብዳበ ከንብቡ እንከለው፡ ምስ ሓንቲ ጓል 14 ዓመት፡ \"ብዝንቀፍ ኣገባብ\" ከም ዝተራኸቡን፡ ኣብ ልዕሊኣ ከቢድን ዘላቕን ሳዕቤን ከም ዘውረዱን ጠቒሱ። ን18 ዓመታት ካህን ቦርዶክስ ኰይኖም ከገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ2019 ጡረታ ዝወጽኡ ወዲ 78 ዓመት ካርዲናል ጂን-ፒየር ሪቻርድ፡ እታ ግዳይ ንዘብጽሑላ ጉድኣት ይቕሬታን ምሕረትን ሓቲቶም። ናይ ሕጂ ካህን ዣን ፖል ጀምስ ነተን ግዳያት ዘለዎም ድንጋጸ ብምግላጽ፡ ኣብ ሃገረ ስብከት ግህሰት ዘጋጠሞ ሰብ ብግልጺ ወጺኡ ክዛረብ ጸዊዖም። ሓላፊ እቲ ጉባኤ፡ ብዘይካ እቶም ካርዲናልን ሚቸል ሳንቲየርን፡ ሽዱሽተ ጳጳሳት ብቤት ፍርዲ ወይ ብቤተ ክርስቲያን ተኸሲሶም ከም ዝነበሩን ሓደ ካብኣቶም ከም ዝሞተን ሓቢሮም። ካልኦት ክልተ ኣቡናት ነበር ፍርዳዊ መርመራ ክግበረሎም እንከሎ፡ ሳልሳይ ድማ ናብ ኣኽበርቲ ሕጊ ከም ዝተሓበረ ወሲኾም ሓቢሮም። ኣብ ፈረንሳ ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝተመስረተ ናጻ ኮሚሽን ኣብ ጥቅምቲ 2021 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ካብ 1950ታት ጀሚሩ ኣስታት 216,000 ህጻናት ግህሰት ከም ዝወረዶምን፡ መብዛሕትኦም ካብ 10-13 ዓመት ዝዕድመኦም ኣወዳት ምዃኖምን ኣረጋጊጹ። ሓላፊ እቲ ፓነል፡ ኣስታት 3200 ዝበጽሑ ግህሰታት ዝፈጸሙ ከም ዘለዉን፡ ገና ገበናዊ ስጕምቲ ክውሰድ ኣብ ዝኽእለሉ 22 ጉዳያት ዝተኣከበ መርትዖታት ንኣኽበርቲ ሕጊ ከም ዝተዋህበን ገሊጹ። ፈረንሳ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝቐርቡ ብዙሓት ክስታት ጾታዊ ዓመጽ ዘናወጸን ሃገራት እያ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ጳጳስ ፍራንሲስ ጾታዊ ዓመጽ፡ ህጻናት ንጾታዊ ርክብ ምጥቃም፡ ናይ ቈልዑ ቪድዮታት ግብረ ጽዩፍ ምውናንን ዝፍጸሙ ዓመጻት ምሕባእን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ቫቲካን ገበን ምዃኖም ንምምልካት ሕጊ እታ ቤተ ክርስቲያን ክቕየር ገይሮም’ዮም። ኣብቲ ኣብ ሉርድስ ዝተኻየደ ጉባኤ ካህናት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ድማ፡  ቤተ ክርስቲያን ፈረንሳ ብገለ ጓሶታ ብዝፍጸም ዘሎ ግህሰት መሊሳ ከም ዝተዋሕጠት ገሊጾም።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c90ge2n1pw9o"} {"headline":"ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ወኪሉ ዝላዘብ ጉጅለ ስራሕ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ","content":"ኣስታት 20 ኣዋርሕ ዘቑፀረ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ብሰላም ንምዝዛም ዝተጣየሸ ኮሚቴ ተላዛቢ ኮሚቴ መንግስቲ ስራሕ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ። ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ጉዳያት ደሕንነትን ኣባል እቲ ኮሚቴን ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ እቲ ኮሚቴ ፈላማይ ኣኼብኡ ትማሊ ሰሉስ 05 ሓምለ 2014 ዓ.ም ኣቆፃፅራ ግእዝ ከምዘካየደ ኣፍሊጡ። እቲ ኮሚቴ፡ ብኣሸማጋልነት ሕብረት ኣፍሪቃ ንዝካየድ ልዝብ ኣብ ኣሰራርሓን ከይዲ ስነ-ምግባርን ተዘራሪቡ ውሳነ ከምዘሕለፈ ብመገዲ ትዊተር ሓቢሩ። ካብዚ ብተወሳኺ ንኡሳን ኮሚቴታት ከምዝተጣየሹን፡ ብመሰረት እዚ ዝተጣየሸ መሓውር፡ ሓላፍነት ተከፋፊሎም ስራሕ ከምዝተጀመረ ሓበሬታ እቲ ኣምባሳደር የረድእ። እቲ ኣብ ሞንጎ መራሕቲ ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ዝካየድ ዝርርብ መዓስን ኣበይን ከምዝካየድ ዛጊድ ካብ ክልቲኦም ወገናት ዝተገለፀ ሓበሬታ የለን። ገዛኢ ውድብ ብልፅግና ቅድሚ ክልተ ሰሙን እዩ፡ እቲ ኵናት ከብቅዕ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳይ ወፃእን ደመቐ መኮንን ዝምራሕ ተላዛቢ ጉጅለ ከምዝሰየመ ተገሊፁ። ካብ ኣይተ ደመቀ መኮንንን ኣምባሳደር ሬድዋን ብተወሳኺ ሚኒስትር ፍትሒ ዶክተር ጌድዮን ጢሞቲዎስ፣ ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ፣ ሌተናል ጀነራል ብርሃቡ በቀለ፣ ዶክተር ጌታቸው ጀምበርን ኣምባሳደር ሓሰን ዓብደልቃድርን ብኣባልነት ተኻቲቶም'ዮም። ብወገን ትግራይ ዛጊድ እንመን ተደራደርቲ ኮይኖም ከምዝቐርቡ ወግዓዊ ዝኾነ ነገር የለን። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ዝርርብ ብሕብረት ኣፍሪቃ ከምዝምራሕ ቅዋሙ ዘፍለጠ እንትኾን፡ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ሕብረት ከምዘለዎም ቅረትኦም ዝገለፁ መራሕቲ ትግራይ ድማ ኣብ ኬንያ ናብ ዝካየድ ዘተ ላዕለዎት ተወከልቲ ከምዝልእኹ እዮም ኣፍሊጦም። ብመራሒ ትግራይን ኣቦ መንበር ህወሓትን ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ተፃሒፉ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃን ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታን ዝርከቡዎም መራሕቲ ዝተፅሓፈ ደብዳበ፡ ሓይልታት ትግራይ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምዝርራብ ድሉዋት ከምዝዀኑ እዩ ዝገልፅ። “ኣብቲ ብመንግስቲ ኬንያ ዝተፀውዐን ዝዳሎን ዘተ ዝሳተፍ፡ ሓላፍነትን መምርሒን ዝተወሃቦ ላዕለዋይ ልኡኽ ንምስዳድ ተዳሊና ኣለና” ዝበለ ዶክተር ደብረጽዮን፡ ኣብ ልዕሊ እታ ዘተ እተአንግድ ዘላ ኬንያን መራሒኣ ኡሁሩ ኬንያታን እምነት ከም ዘለዎም ብምሕባር እውን ኣድናቘቱ ገሊፁ። ቅድም ክብል ፕረዝደንት ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፡ ናብ ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ፕረዝደንት ሴኔጋልን ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ኣብ ልዕሊ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘለዎም ቅረታ ገሊፁ ነይሩ። ክልቲኦም ወገናት ነዚ ኵናት ብሰለማዊ መገዲ ንምዝዛም ድሌቶም ምዃኑ እኳ እንተፍለጡ፡ ዛጊድ እቲ ዝርርብ ብቐጥታዊ ምጅማሩ ብወግዒ ዝተገለፀ ነገር የለን። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ህይወት ኣሽሓት ዝበልዐን ከቢድ ቅልውላው ዘስዓበን ኵናት፡ ሓይልታት ትግራይ ንርእሰ ከተማ ትግራይ ከተማ መቐለ ምቁፅፃሮም ስዒቡ፡ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ልሒዅ ምንባሩ ይዝከር። ንዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ድማ እቲ ኲናት ህድእ ኢሉ ይርከብ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3gq5q15z3ro"} {"headline":"ደቂ ኣንስትዮ፡ ቤትፍርዲ ስዑዲ ዓረብ ንፈለማ እዋን መንነት ጾታዊ ጥቕዓት ዝፈጸመ ሰብ ክቃላዕ ኣዚዙ","content":"ቤትፍርዲ ስዑዲ ዓረብ፡ በጾታዊ ጥቕዓት ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኸበ ሰብ ንህዝቢ ክቃላዕን ክዋረድን ንፈለማ እዋን ኣዚዙ። ያስር ኣል-ኣራዊ ንሓንቲ ሰበይቲ ጽዩፍ ዘረባ ብምዝራቡ እዩ ብቤትፍርዲ መዲና ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ። ንሸሞንተ ኣዋርሕ ማእሰርትን ናይ 1,330 ዶላር ገንዘባዊ መቕጻዕትን ከኣ ተበዪንዎ። እቲ ጸረ-ጥቕዓት ሕጊ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝተመሓየሸ ክኸውን እንከሎ፤ ስማት በደልቲ ብክሳርኦም ኣብ ጋዜጣታታት እቲ ከባቢ ክሕተም ዘፍቅድ እዩ ኮይኑ። ደያኑ \"ንኽብደት እቲ ገበንን ኣብ ሕብረተሰብ ንዝፈጥሮ ጽልዋን\" ብምፍታሽ ከምኡ ምግባር ዘድልይ እንተኾይኑ ይውስኑ። እቲ ምምሕያሽ ናይ ሕጊ ብብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ተቐባልነት ክረክብ እንከሎ ሓደ ወሃቢ ርእይቶ \"ንነዊሕ ትጽቢት ዝተገበረሉ\" ክብል እዩ ገሊጽዎ። እቲ ኣብ 2018 ተግባራዊ ዝኾነ ሕጊ ዛጊት ክሳዕ ክልተ ዓመት ማእሰርትን ክሳዕ 27,000 ዶላር ዝበጽሕ ገንዘባዊ መቕጻዕትን ኣብ ልዕሊ እቶም ብጾታዊ ጥቕዓት ገበነኛታት ኮይኖም ዝተረኽቡ ኣስዒቡ ኣሎ። እቶም ደጊሞም ዝበደሉ ክሳዕ ሓሙሽተ ዓመት ማእሰርትን ክሳዕ 80,000 ዶላር መቕጻዕትን ይብየነሎም ኣሎ። ስዑዳውያን ደቀንስትዮ ግና፡ ሰብ መዚ፡ ጾታዊ ጥቕዓት ደው ንምባል ጌና እኹል ጻዕርታት ይገብሩ ከም ዘየለው እየን ዝዛረባ። ኣብ ቀረባ እዋን ርእይቶኣ ንቢቢሲ ዘካፈለት ሓንቲ ስዑዳዊት ብዛዕባ ጾታዊ ጥቕዓት ኣብ ኢንተርነት ኣብ ዝወሃብ ርእይቶታት ዝበዝሕ ግዜ ነተን ደቀንስትዮ ዝወቅስን ነተን ግዳያት ከም በደለኛታት ዝቀጽዕን እዩ ኢላ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59962577"} {"headline":"ቴሌግራም፡ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ፍቓደን ወጻኢ ዕርቃነን ዘርእይ ስእሊ ዝጥቅዐሉ ማሕበራዊ ሚዲያ","content":"ደቂ ኣንስትዮ ንምጥቃዕ፣ ንምሽምቓቕን ሽመን ንምጥፋእን ዕርቃነን ዘርእይ ስእሊ ብብዝሒ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ቴሌግራም ከም ዝዝርጋሕ ቢቢሲ ብዘካየዶ መርመራ ኣረጋጊጹ። መጠንቀቕታ፡ እዚ ጽሑፍ ጾታዊ ትሕዝቶ ኣለዎ። ሳራ፡ ሓደ መዓልቲ ዕርቃና ኮይና ዝተስኣለቶም ስእልታት ልሒኾም ብምውጻእ ኣብ ቴሌግራም ተዘርጊሖም። ብቕጽበት ህይወታ ተቐይሩ። እዚ ቑጽሪ ቴሌፎና ሓዊሱ፡ ኣብ ናይ ፌስቡክን ኢንስታግራምን መጥቀሚታታ'ውን ወጺኡ። በዚ ምኽንያት ዘይትፈልጦም ሰብኡት ካልኦት ተመሳሰልቲ ስእልታት ክትልእኸሎም ክሓትዋ ጀሚሮም። \"ዕርቃነይ ዘርእዩ ስእልታት ብምውጽኦም ኣመንዝራ ከም ዝኾንኩ ክስምዓኒ ገይሮም [ኣሚኖም]። ከም ጓል ኣንስተይቲ ዝኾነ ክብሪ ዘይብለይ'ዩ ዝመስል\" ትብል። ሳራ፡ [ትኽክለኛ ሽማ ኣይኮነን] እቶም ስእልታት ናብ ሓደ ሰብ ጥራይ'ያ ልኢኻቶም ነይራ። ይኹን'ምበር እቶም ስእልታት ኩሎም፡ 18 ሽሕ ተኸተልቲ ናብ ዘለዎ ናይ ኢንስተግራም ጉጅለ በጺሖም፤ መብዛሕትኦም ኣብ ኲባ ሃቫና ደቂ ገዛውታ እዮም። ካብዚ ብዝብገስ ናብ ደገ ክትወጽእ እንከላ ዘይትፈልጦ፡ ግን ዕርቃና ኮይና ዝርኣያ ሰብ ከይረኽባ ትፈርሕ። \"ክወጽእ ኣይደልን፤ ምስ መሓዙተይ'ውን ክራኸብ ኣይደልን። ብዙሕ'የ ተሳቕየ\" ትብል። ሳራ ግን በይና ኣይኮነትን። ቢቢሲ፡ ድሕሪ ንኣዋርሕ ዝገበሮ መርመራ ኣብ 20 ሃገራት ብሚስጢር ዝተቐድሑ ቪድዮታት፣ ዝተሰርቑ ወይ ልሒኾም ዝወጽኡ ስእልታት ደቂ ኣንስትዮ ዝዝርግሑ ካልኦት ዓበይቲ ጉጅለታት ከም ዘለው ኣረጋጊጹ። እቲ ማሕበራዊ መተግበሪ እዞም ጸገማት ንምቅላስ ዝወስዶም ዘለው ስጉምታት ድማ ዘዕግቡ ኣይኮኑን። ኒጋር፡ ካብ ኲባ ኣሽሓት ማይላት ርሒቓ ኣብ ስደት ትርከብ። ኒጋር፡ ኣዘርባጃናዊት ኮይና፡ ብሰንኪ እዚ ጸገማት ካብ ዓዳ ወጺኣ። ብ2021፡ ምስ በዓል ቤታ ጾታዊ ርክብ እናፈጸመት ዘርኢ ቪድዮ ናብ ስድርኣ ተላኢኹ፤ ድሕሪኡ ኣብ ሓደ ናይ ቴሌግራም ጉጅለ ተዘርጊሑ። \"ኣደይ እናበኸየት 'ናባይ ዝተላእኸ ቪድዮ ኣሎ' ትብለኒ። ሰንቢደ፤ ሕምሽሽ ኢለ\" ትብል። እዚ ቪድዮ 40 ሽሕ ኣባላት ኣብ ዘለውዎ ጉጅለ እዩ ተዘርጊሑ። ኣብቲ ምስሊ፡ ገጽ እቲ በዓል ቤታ ዝነበረ ሰብኣይ ከም ዘይርኣይ ተገይሩ፤ ናታ ግን ብግልጺ ይርኣይ። ኒጋር፡ እቲ በዓል ቤታ ዝነበረ ሰብኣይ ብሕቡእ ቀሪጹ ንሓዋ (ፍሉጥ ነቓፊ ፕሬዝደንት ኣዘርባጃን) ንምህዳድ ከም ዝተጠቐመሉ ትኣምን። ሓዋ እቲ ዘቕርቦ ነቐፌታታት ጠጠው እንተዘይኣቢሉ እቲ ቪድዮ ክንዝርግሖ ኢና ኢሎም ንኣዲኣ ከም ዘፈራርሑዋ ትዛረብ። \"ተመርዒኺ ምንባርኪ ብዘየገድስ ኩሉ ከም ዝተዋረደት ሰብ እዩ ዝርእየኪ\" ትብል ኒጋር። ኒጋር፡ ብዛዕባ እዚ ንበዓል ቤታ እንተሓተቶ'ውን ኣይውዓልኩዎን እዩ ኢሉዋ። ንሱ ኣብዚ ጉዳይ ርኢይቶ ንክህብ ቢቢሲ ሓቲቱዎ'ኳ እንተነበረ መልሲ ንምሃብ ግን ፍቓደኛ ኣይኮነን። ኒጋር ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ጸገም ወዲቓ ትርከብ። \"ክሓዊ ኣይክኣልኩን። ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ናብ ሰብ ሞያ ሕክምና ይኸይድ እየ። እንተኾነ ለውጢ የብልንክን'ዮም ዝብሉኒ። ክትርስዕዮ ትኽእሊ'ዶ ኢሎም ይሓቱኒ፤ ግን ኣይክእልን\" ኢላ። ሳራን ኒጋርን ብዛዕባ እቶም ስእልታት ናብ ቴሌግራም ሪፖርት እኳ እንተገበራ፡ ቴሌግራም ግን መልሲ ኣይሃበንን። ቢቢሲ፡ ካብ ሩሲያ ክሳብ ብራዚል፣ ካብ ኬንያ ክሳብ ማሌዥያ ዘለው 18 ቻነላትን 24 ጉጅለታትን ቴሌግራም ክከታተል'ዩ ጸኒሑ። እዚኦም ኣስታት ክልተ ሚሊዮን ተጠቀምቲ ኣለውዎም። ጎና ጎኒ እቶም ሕቡኣት ስእልታት ናይ ገዛ ኣድራሻኣን ቑጽሪ ስልኪ ስድራቤትን ይልጠፉ። ነቶም ጉጅለታት ቴሌግራም ዘመሓድሩ ሰባት ንኣባላት እቲ ጉጅለ፡ ናይ ኣፍቀርቶም ወይ መጻምድቶም ዝነበራ፣ ናይ መሳርሕቶም፣ መማህርቶምን ካልእን ስእሊ ክሰዱሎም እሞ መንነቶም ከየቃልዑ ክጥቅዑዎም ክሓቱ ርኢና። ቴሌግራም ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዕሊ ፍርቂ ቢሊየን ተጠቀምቲ ከም ዘለውዎ ይገልጽ። ኣብ ወርሒ ጥሪ 2021 ዋትሳፕ ድሕሪ ዝገበሮ ለውጢ ውዕሊ ውልቃውነት፡ ሚሊዮናት ናብ ቴሌግራም ቀይሮም'ዮም። እዚ ማሕበራዊ ሚዲያ ብፍላይ ኣብተን ናይ ሚዲያ ምመያ ዘለወን ሃገራት፡ ደገፍቲ ዴሞክራሲ ብብዝሒ ይጥቀሙሉ። ኣብዚ፡ ተጠቀምቲ ሽሞምን ቁጽሪ ስልኮምን ከይሓበሩ ክጥቅዑ፣ ክሳብ 200 ሽሕ ኣባላት ዝሕዙ ጉጅለታት ክፈጥሩ ይኽእሉ'ዮም። ቴሌግራም ውልቃውነት ኣብ ምሕላው ፍሉጥ'ኳ እንተኾነ እቲ \"secret chat\" ብዝብል ዘቕርቦ መማረጺ ጥራሕ'ዩ ካብ ክልቲኦም ወገን ዝልኣኽ መልእኽቲ ብሳልሳይ ወገን ንከይንበብ ክገብር ዝኽእል [end-to-end encryption]። ከም ዋትሳፕን ቴሌግራምን ኣብ ዝኣመሰሉ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ መተግበሪታት ግና እዚ ዝኾነ ነገር ከይቀየርካ ዝርከብ እዩ። ቴሌግራም ግን ውሑድ ምቁጽጻር ዝግበሮ ስለ ዝኾነ እቶም ኣብ ካልኦት ኣማራጺታት ዝተኣገዱ ሰባት እንኮላይ ኣብዚ ዘይተገደበ ቦታ ክረኽቡ የፍቅደሎም። ክኢላ ሕጊ ቴክኖሎጂ ጉጅለ መሰላት ዲጂታል 'ኣክሰስ ናው' ናታሊያ ክራፒቫ \"ቴሌግራምን ዋናታቱን ተጠቀምቲ ሳንሱር ክገብሩ ኣይደልዩን\" ትብል። ቢቢሲ ዘካየዶ መጽናዕቲ ግን ቴሌግራም ነቶም ልሒኾም ዝወጽኡ ናይ ዕርቃን ስእልታት ብዘይከልካሊ ንምዝርጋሕ ዝምችእ ባይታ ኮይኑ'ዩ ረኺቡዎ። ቴሌግራም፡ ካብ ፍቓድ ወጻእ ዝኾኑ ስእልታት ንከይልጠፉ ዘለሊ ፖሊሲ የብሉን። ኣብቲ ዝህቦ ናይ ውዕሊ ኣገልግሎት ግን ተጠቀምቲ \"ዘይሕጋዊ ናይ ግበረ ጽዩፍ ትሕዝቶ ዘለዎም ነገራት ንኻልኦት ብዝርኣይ መልክዑ ንከይልጥፉ\" ክሰማምዑ ይገብር። በዚ መሰረት ተጠቀምቲ ናይ ግብረ ጽዩፍ ቪድዮታት ሪፖርት ክገብሩ ዘኽእሎም መማረጺ ኣለዎ። እዚ ፖሊሲ ብተግባር ንምፍታን፡ ነቲ መማረጺ ተጠቒምና፡ ንዝረኸብናዮም 100 ስእልታት ከም ናይ ግበረ ጽዩፍ ሪፖርት ገይርናዮም። ድሕሪ ሓደ ወርሒ ግን እቶም 96 ካብ ቴሌግራም ከይጠፍኡ ጸኒሖም። እቶም ዝተረፉ ኣርባዕተ ኣብ ካልኦት ተሳተፍቲ ኣብ ዘይኮንናሉ ጉጅለ ስለ ዝነበሩ ክንረኽቦም ኣይክኣልናን። እቲ ዘሕዝን ከኣ፡ ነዞም ጉጅለታት ኣብ እንምርምረሉ ዝነበርና እዋን፡ ሓደ ኣብ ሩሲያ ዝርከብ ገጽ፡ ንመግዝኢ መጥቀሚ ቡን ብዘይመልእ ገንዘብ፡ ቪድዮታት ግህሰት ህጻናት ዝሓዘ ሓቛፊ (ፎልደር) ክሸጠልና ፈቲኑ ነይሩ። ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ንቴሌግራምን ፖሊስ ሜትሮፖሊታንን ሓቢርና። ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ግን እቲ ልጣፍን እቲ ናይ ቴሌግራም ቻነልን ከይጠፍኡ ረኺብናዮም። መሊስና ንጉጅለ ሚዲያ ቴሌግራም ምስ ረኸብናዮ ግን ክጠፍእ ተገይሩ። ብሰንኪ ከምቶም ንዓና ዝቐረቡልና ቪድዮታት፡ ኣፕል ንዝተወሰነ ግዜ ቴሌግራም ካብ 'ኣፕ ስቶር' ክጠፍእ ገይሩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እቲ ማሕበራዊ መተግበሪ ኣብ ዙርያ ስእልታት ግህሰት ህጻናት ምምሕያሽ ገይሩ። ብተወሳኺ ኣብ 2019 ምስ ኤጀንሲ ገበን ሕብረት ኤውሮጳ ዩሮፖል ብምትሕብባር ብርክት ዝበሉ ትሕዝቶታት እስላማዊ ጉጅለ ኣጥፊኡ። \"ቴሌግራም ምስ ግብረ ሽበራ ዝተሓሓዙ ትሕዝቶታትን ገለ ናይ ኣኽረርቲ ፖለቲካዊ ትሕዝቶን ከም ዘጥፍእን ክጠፍኡ ከም ዝገበረን ንፈልጥ ኢና' ይብል ፕሮፌሰር ኢንስቲትዩት ኦክስፎርድ ኢንተርነት ዶክተር ኣሊክሳንደር ሀራሲሜንካ። እቶም ናይ ዕርቃን ስእልታት ክወርዱ ወይ ክጠፍኡ ምግባር ግን ቀዳምነት ዝህቦ ጉዳይ ከም ዘይኮነ ይርኣይ። ሓሙሽተ መመይቲ ትሕዝቶ ቴሌግራም ብሚስጥራውነት ሓበሬታ ክህቡና ክኢሎም'ዮም። እዚኦም \"spam\" ከምኡ'ውን \"not spam\" ብዝብል ካብ ተጠቀምቲ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖም ይዛረቡ። ስርሐይ ኢሎም ነዞም ናይ ዕርቃን ስእልታት ከም ዘይርእዩዎምን ቴሌግራም'ውን እዚ ስራሕ ብምውጋን 'ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ' ከም ዘይጥቀምን ገሊጾም። በዚ ምኽንያት ቴሌግራም ስጉምቲ ስለ ዘይወስድ፡ ገለ ደቂ ኣንስትዮ ባዕለን ስጉምቲ ክወስዳ ተገዲደን እየን። ጆኣና፡ ጓል 13 ዓመት እናሃለወት ኣብ ሓደ ፍሉጥ ናይ ማሌዥያ ጉጅለ ቴሌግራም ናይ ባዕላ ናይ ዕርቃን ስእሊ ረኺባ። ናብዚ ጉጅለ ንክትኣቱ ናይ ሓሶት ሽም ተጠቒማ፡ ነቶም ስእልታት ብሚስጢር ብምእላሽ ሪፖርት ገይራቶም። ብዛዕባ እቲ ዝኸደቶ ርሕቐት'ውን ምስ መሓዙታ ኣውጊዓ። ኣብ ልዕሊ እዚ ጉጅለ ብዝተገብረ ጸቕጢ ድማ ድሕሪ ግዜ ክዕጾ ክኢሉ። ቢቢሲ እዚ መርመራ ኣብ ዘካየደሉ ግዜ ግን ብውሑዱ ክልተ ጉጅለታት ተመሳሳሊ ስእሊ ክዝርግሑ ረኺብና። \"ነዞም ጉጅለታት ንምእላይ ብዙሕ ስለ ዝደኸምና ተስፋ ኢኻ ትቖርጽ፤ ብሱሩ መወዳእታ ክህልዎ ድዩ ዝብል ኣይፈልጥን\" ትብል። ቴሌግራም ንቃለ መጠይቕ ዘቕረብናሉ ሕቶ ኣይተቐበሎን። ብጽሑፍ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ግን ነቶም ናይ ኣገልግሎት ውዕሊ ዝጻብኡ ትሕዝቶታት ኣመልኪቱ ካብ ተጠቀምቲ ንዝመጽኦ ሓበሬታ ነቒሑ ከም ዝከታተሎም ሓቢሩ። እንተኾነ ናይ ዕርቃን ስእልታት ካብ ፍቓድ ወጸኢ ኣብቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ክጥቅዑ ይኽእሉ ድዮም ወይ ይጠፍኡ'ዮም ዝብል ኣየረጋገጸን።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60399369"} {"headline":"ኣብ ውሽጢ ሓዳር ዝፍጠር ጾታዊ ዓመጽ ከመይ እዩ?","content":"ኣስታት 736 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ ዓለምና ኣብ ህይወተን ሓንሳብ ካብ መጻምድተን ወይ በዓል ሓዳረን፣ ካብ ቀረብአን ወይ ጓና ወይ'ውን ካብ ክልቲኡ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዘጋጥመን ጸብጻባት ይሕብሩ። መብዛሕትኡ እቲ ጾታዊ ዓመጽ፡ ብበዓል ቤተን፡ ወይ ካብ ዝፈትሐኦ በዓል ሓዳረን ነበር፡ ወይ'ውን ናይ ቀረባ መጻምደን ዝፍጸም ኮይኑ፡ ልዕሊ 640 ሚልዮን ዓቕመ ሄዋን ዝበጽሓን ዘይበጽሓን፡ ካብ ደቂ 15 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድመአን ደቀንስትዮ ብጾታዊ መጥቃዕቲ ይሳቐያ። ክኢላ ዕብየትን ምዕባለን፡ ኣባል 'መርበብ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ' ዶክተር ኣስያ ዓብደልቃድር፡ ንደቀንስትዮ፡ እቲ ዝኸፍአን ዘይንገርን፡ ዝበዝሕ ግዜ እውን ሪፖርት ዘይግበርን እቲ ካብ መጻምደን ወይ በዓል ሓዳረን ዘጋጥመን ዓመጽ ምዃኑ ትጠቅስ። \" ኣብ ገዛኻ ዘጋጥመካ ነገር ናብ ፖሊስ ከይድካ ክትዛረብ ወይ ምስ ካልእ ሰብ ከተዕልለሉ ኣጸጋሚ'ዩ። እዚ ካብቲ ዝበርትዐን ስኑድ ዘይኮነን ጾታዊ መጥቃዕትን እዩ\" ከኣ ትብል። እቲ ውሽጢ ሓዳር ወይ ፍቕራዊ ምሕዝነት ዘጋጥም ጾታዊ ዓመጽ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብግልጺ ዘይዝረበሉ፡ ናብ ፖሊስን ኣካላት ጸጥታን ዘይቐርብ፡ እቲ ሕብረተሰብ እውን ከም ዘጋጥም ተርእዮ ዘይፈልጦ ምዃኑ ተሓለቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ይገልጹ። ኣባል ምንቅስቓስ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያን 'የለው ሙቭመንት' በዓልቲ ሞያ ሕጊ ወይዘሪት ረድኤት ባያሌው፡ ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ሃገራት፡ እቲ ሕብረተሰብ ኣዝዩ ዝተቐራረበን ኣብ ኣነባብራኡ ጽግዕተኛ ናይ ስድራ ቤት ስለዝኾነ ኣብ ውሽጢ ሓዳር ዘጋጥም ጾታዊ ዓመጽ ኣይውግዐሉን'ዩ ትብል። እቲ ሕብረሰተብ፡ ነታ መባእታን መሰረትና ዝኾነት ስድራ ቤት ልዑል ቆላሕታን ክብርን ስለዘለዎ፡ ህላዌኣን መሰረታን ብጾታዊ ጉዳያትን ንሱ ዘስዕቦ ነገርን ኣግሂድካ ብምዝራብ ኣብ ሓደጋ ንከይትወድቕ ስክፍታ ከምዘለዎ እያ ትኣምን። \"ኣብ ሕጊ ቤተሰብ ኢትዮጵያ፡ ዝኾነ ሓዳር [ከም] ሓዳር [ክጽዋዕን] ተቐባልነት ክህለዎን እንተኾይኑ [እቶም ተጻመድቲ] ጾታዊ ርክብ ክህሉዎም ኣለዎ ተባሂሉ ስለ ዝውሰድ፡ ዘቤታዊ ዓመጽ ንክውስኽ ምኽንያት ይኸውን እዩ\" ትብል። ከም እምነት ወይዘሪት ረድኤት፡ ኣብ ውሽጢ ሓዳር ዘጋጥም ጾታዊ ዓመጽ፡ ጾታዊ ርክብ ካብ ፍቓድ እቲ ኻልኣይ ወገን ምስ ዝፍጸም እዩ። በዚ ሓሳብ እትሰማማዕ ዶክተር ኣሲያ ብወገና፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብዘይድልየታ ወይ ኣይደለኹን እናበለት እንከላ እቲ መጻምድታ ጾታዊ ርክብ ክገብር ወይ ከገድዳ እንተፈቲኑ ከም ጾታዊ ዓመጽ'ዩ ዝቑጸር ትብል። \"ዋላ እውን [በዓልቲ ቤትካ] ትኹን፡ ፍቓድ እንተዘይሂባትካ ከተገድዳ ኣይግባእን እዩ። ክልቲኤኻ ተሰማሚዕኻ እምበር፡ ሰበይትኻ ስለ ዝኾነት ኣብ ዝደለኻዮ ግዜ ንጾታዊ ርክብ ምግዳድ ዓመጽ እዩ\" ትብል። ንዓይ እቲ ጸገም ዝኸውን ጾታዊ ርክብ ካብ ፍቓድ ወጻኢ ክኸውን እንከሎ እዩ። ብዙሕ ግዜ ኣብ ሓዳር ዝግበር ጾታዊ ዓመጽ ከኣ ዘቤታዊ ዓመጽ ዝሓወሰ እዩ። ፍቓድ ዘይርድኦ ሰብ እንተኾይኑ ናብ ኣካላዊ መጥቃዕቲ'ውን ይሰጋገር እዩ። ገበን ሕጊ [criminal code] ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሓዳር ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ 'ብዘይፍቓድ' ዘጋጥም ኢሉ ዝገልጾ'ኳ እንተኾነ \"ከም ገበን ግን ዝቖጽሮ ኣይኮነን\" ትብል። ምኽንያቱ ክተረድእ እንከላ ድማ፡ እቲ ናይ ገበን ሕጊ ካብ ሓዳር ወጻኢ ንዘጋጥም ጾታዊ ዓመጽ ጥራይ ከም ዓመጽ ስለ ዝቖጽሮ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሓዳር ዘጋጥም ዓመጽ ከም ገበን ኣይቖጽሮን ኢላ። \"ዝኾነ ሰብ ኣገዲዱ ጾታዊ ርክብ እንተፈጺሙ ምዕማጽ እዩ ዝኸውን። ኣነ ድማ ከም ተሓላቂት መሰላትን ከም ውልቀቨሰብን ኣብ ሓዳር ይኹን ኣብ [ጾታዊ ዝምድና] ፍቓድ መጻምዲ ከይረኸብካ ብሓይሊ ዝግበር ነገር ከም ዓመጽ እየ ዝቖጽሮ። ንዓይ ፍቓድ እቲ ዝዓበየ ነገር'ዩ\" ትብል። እዚ ኣብ ውሽጢ ሓዳር የጋጥም'ዩ ዝብሃል ጾታዊ ዓመጽ ብሕጋዊ መገዲ ዝእለዩ ኣገባብ ካብ ሓንቲ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ዝፈላለ ኮይኑ ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ሃገራት ነዚ ኣብ ውሽጢ ሓዳር ዘጋጥም ጾታዊ ዓመጽ ዝቐጽዕ ሕጊ እኳ እንተዘይብለን ከም ጀርመንን ኣመሪካን ዝኣመሰላ ሃገራት ግን ነዚ ዝከታተልን ዝቐጽዕን ሕጊ ኣለወን። እተን ጾታዊ ዓመጽ ዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ ከቢድ ስነ ልቦናዊ ጸቕጢ፣ ዘይተደለየ ጥንሲ፣ ብጾታዊ ርክብ ንዝመሓላለፉ ሕማማትን ኤችኣይቪን ካልእን ናይ ምቅላዕ ዕድለን ዝለዓለ'ዩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ምስ ኣንጻራዊ ጾታ ምሕዝነት ካብ ዝነበረን ደቂ ኣንስትዮ እተን 42 ሚኢታዊት ካብ ኣፍቀርተን ወይ በዓል ቤተን ኣካላዊ ወይ ጾታዊ መጥቃዕቲ በጺሑወን'ዩ ይብል። ብፍላይ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝወሰኸ ዝገለጸት ዳይሬክተር ደቂ ኣንስትዮ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፑምዚሌ ማላምቦ-ጉካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ [2020 ዓ.ም] ብደረጃ ዓለም 243 ሚልዮን ኣዋልድን ደቂ ኣንስትዮን ብናይ ቀረባ መጻምድተን ኣካላውን ጾታውን ዓመጽ ከም ዝበጽሐን ሓቢራ። ካብአን ትሕቲ 40 ሚኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ እየን ነቲ ዘጋጠመን ጾታዊ መጥቃዕቲ ሪፖርት ዝገብራ ወይ'ውን ሓገዝ ዝሓታ። ፍቓድ እንታይ'ዩ? ኣብ ዓለም መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ብበዓል ቤተን፣ ወይ ካብ ሰብ ሓዳረን ነበር ወይ መጻምደተን ጾታውን ኣካላውን ዓመጽ ከምዘጋጥመን ውድብ ሕቡራት ሃገራት የረድእ። እዚ ብዘይ ፍቓድ እታ ጓል ኣንስተይቲ ብሓይሊ ዘጋጥም ምዃኑ ወሃብቲ ርኢይቶ ይሰማምዑሉ። ፍቓድ [ኮንሰንት] ክብሃል እንከሎ ግን እንታይ'ዩ? ብኣበሃህላ ተሓላቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ረድኤት፡ ጾታዊ ፍቓድ ዝብሃል፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዓርሳ\/ነብሳ ኣብ እትፈልጠሉ ሰዓት፡ [ኣልኮል ወይ መዐወኒ ሓሽሽ ወሲዳ ውኒኣ ኣብ ዘይዘንግዐትሉ] ኩነታት እንከላ እትህቦ ወለንታዊ ፍቓድ እዩ። ብተወሳኺ ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ንእትህቦ ውሳነ ሳዕቤኑ ዘገናዘበ ክኸውን ይኽእል'ዩ ተባሂሉ ስለ ዘይውሰድን ብሕጊ ትሕቲ ዕድመ ስለ ዝኾነትን 'እወ ይደሊ'የ' ዝብል ፍቓድ ክህልዋ'ዩ ኢላ ከም ዘይትኣምን ትዛረብ። \"ንዓይ እቲ ካብታ ጓል ኣንስተይቲ ዝወሃብ ፍቓድ ድማ ኩሉ ግዜ ዝሕደስ እዩ፤ ንኣብነት ጋሻ መጺኡ ቡን ከፍልሐልካ ትደሊ'ዶ? ኻልኣይኸ ክደግመኩም'ዶ\" ኢልና ኢና ንሓትት። ጾታዊ ርክብ'ውን ከምኡ ፍቓድ ምሕታት የድልዮ'ዩ\" ኢላ። ይኹን'ምበር፡ ብፍላይ መጻምድኻ እንተዓሚጹካ ክትዛረብ ብዙሕ ሰብ ስለ ዘይኣምነካ ሕብረተሰብ'ውን ኣብ ውሽጢ ሓዳር ጾታዊ ዓመጽ ኣሎ'ዩ ኢሉ ዘይኣምነሉን ዘይቕበሎን እንተኾይኑ እቲ ጸገም ኣዝዩ ዝኸበደ ከምዝኸውን ዶክተር ኣስያ ትዛረብ። \"ጾታዊ ማዕርነት ስለ ዘየሎ፡ ኩሉ ግዜ ዘቤታዊ ዓመጽ ከጋጥም'ዩ። ኣብ ኣፍሪቃ እቲ መቕጻዕቲ እውን ዝበዝሕ ናብተን ግዳያት ዘዘንበለ'ዩ፤ ብዙሕ ሕቶ ይመጽአን። ምስኡ እንታይ ርክብ ነይሩኪ? ምሸት'ዶ ወጺእኺ? እንታይ ተኸዲንኪ ነይርኪ? ኣብ ምንታይ ነይርኩም? ዝብሉ ሕቶታት እዮም ዝመጽኡ\" ክትብል ተብርህ። ኣብ ገለ ባህሊ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን'ውን ክሳብ ቐረባ ግዜያት ብጾታዊ ዓመጽ ግዳይ ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ክብሪ ስድራቤት ንከይጉዳእ ብዝብል ነቲ ዓማጺኣ ከምእትምርዓዎ ይግበር ነይሩ'ዩ። እዚ ነገር እዚ ሕጂ'ውን ጌና ዘይተሰግረ ጸገም ከም ዝኾነ እተን ወሃብቲ ርኢይቶ ይዛረባ። ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ጾታዊ ዓመጽ ንምክልኻልን ንምውጋድን ንኽልቲኡ ጾታ ማዕረ ዝገበረ ቓልሲ ክካየድ ከም ዘለዎ ዶክተር ኣሲያ ትገልጽ። \"ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ውሑስ ከባቢ ክነብራ ኣለወን፤ ደገ ወጺአን ዘይፈርሓሉ፣ ምስ ወዲ ተባዕታይ ዓርከን ብሰላም ዝርኣያሉ ሕብረሰተሰብ ኢና ንደሊ እምበር ነታ ዝተዓመጸት ሕቶ ዘምጽኣላ እንተኾይኑ እቲ ጸገም ክቕየር ኣይክእልን'ዩ\" ብምባል እቲ ጉዕዞ ምጥባቕ መሰላት ሓያል ቓልሲ ዝሓትት ምዃኑ ኣገንዚባ። ምክትል ዞባዊ ዳይሬክተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪቃ ዘቢብ ካቩማ ብወገና ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ጾታዊ ዓመጽ፡ ዓመት ሙሉእ ካብ ንጉሆ ክሳብ ምሸት መዓልታዊ ክንቃለሶ ዝግብኣና ነገር'ዩ ብምባል ብፍላይ ብናይ ቐረባ መጻምዲ ዝፍጸም ዘቤታዊ ዓመጽ ንምውጋድ ቃልሲ ዝሓትት ምዃኑ ሓቢራ። \"ዓመጻት፡ ዘቤታዊ፣ ቁጠባውን ጾታውን ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም። ዓመጽ ኣብ ዝኾነ ቦታ ወይ ግዜ እንተተፈጺሙ ዓመጽ'ዩ፤ ኣኸለ! ዓመጽ ክህሉ የብሉን። እቶም ዝበደሉ ከምዝሕተቱ ክንገብር፡ ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ማዕረ ምዃነን ንምርዳእ ኣካል እቲ ቓልሲ ክኾኑ ኣለዎም። ኩላትና ንሓድሕድና ንደላለ ኢና\" ኢላ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59572961"} {"headline":"ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መገዲ ድሕነተን ክሕሎ ዝሕግዝ ዘሎ ቴክኖሎጂ","content":"ኣብ ዝተፈላለየ ኣህጉር ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ንዝተፈላለዩ ጾታዊ መጥቃዕታት ክቃልዓ እንከለዋ ኣብ ህይወተን ሓደ ግዜን ልዕሊኡን ጾታዊ ግህሰት ከምዘጋጥመን ጸብጻባት ይገልጹ ። ካብዚ ብዝብገስ ውሕስነተን ወይ ድሕነተን ተሓልዩ በይነን ብፍላይ ኣብ መገዲ ክንቀሳቐሳ ምኽኣል ሓደ ካብቶም ዘስግኡወን ጉዳያት እዩ። ንኣብነት፡ ፍርቂ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ዓዲ ኢንግሊዝ ኣብ ጸልማት በይነን ምንቅስቓስ ከም ዘይደፍራ ናይ ቀረባ ስታቲስቲካዊ መረዳእታታት እታ ሃገር የመልክቱ። ስለ ዝኾነ ድማ ናይ ቀረባ መሓዝአን ምጽዋዕ፣ ዘለዋሉ ኣድራሻ ዝሕብር መልእኽቲ ምልኣኽ ወይ ናይ መኪንአን ቑልፊ ኣብ ኢደን ምሓዝ ዝበሉ መከላኸሊ ስትራቴጂታት ይጥቀማ። ነባሪት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝኾነት ህይወት ይርጋለም ስርቂ፣ ምትንኳይ ዝኣመሰሉ ጸገማት ብምስጋእ ኣብታ ከተማ ብጸልማት ንምንቅስቓስ ድልየት ከም ዘይብላ ትዛረብ። እዛ ኣብ ስራሕቲ መሸጣ እትነጥፍ ንእስቲ ብስራሕ ምኽንያት ኣብ እተምስየሎም ኣጋጣሚታት እቶም 'ሎሚኸ እንታይ ይሕሸኒ?' ዝብል ስክፍታ ዝፈጥሩላ ምዃኖም ትዛረብ። \"ኣምስየ ፈጺመ በይነይ ናብ ገዛይ ክኸይድ ውሕስነት ዝስምዓኒ ሰብ ኣይኮንኩን። ስለዚ ንኣሕዋተይ ወይ ኣዕሩኽተይ ይድውል፤ ሓሓሊፉ ድማ ኣብ ሆቴል ይሓድር። ሎሚ ኽኣ ኣገልግሎት ራይድ ስለ ዘሎ ንሱ'ውን ከም ኣማራጺ ይጥቀም\" ትብል። ኣብ ልዕሊ ጓል ኣንስተይቲ ዝበጽሑ ጾታዊ ግህሰታት ንብዙሓት ዓመታት ከዘራርቡ ጸኒሖምን ኣለውን። ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ክበጽሐን ዝኽእል ኣካላዊ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ይሕግዘና'ዩ ዝብልኦም ሜላታት'ውን ክጥቀማ ይስትውዓል። ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ምሸት ወይ ኣብ ጸልማት ውሑሳት ምዃነን ንምርግጋጽ ዘኽእሉወን መገዲታት ብምምሕያሽ ቴክኖሎጂ ከም ዓብዪ ዝላ ይጥቀማሉ ኣለዋ። ብሰለስተ መጋቢትን ወርሒ መስከረምን 2021 ሳራ ኢቨራርድን ሳቢና ኔሳን ዝተባህላ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ተቐቲለን። ጓል 33 ዓመት ሳራ ፈጻሚት ስራሕ ማርኬቲንግ ኮይና ኣብ ሳውዝ ለንደን ትቕመጥ ነይራ፤ 3 መጋቢት 2021 ኣጋ ምሸት ግን ካብ ናይ መሓዝኣ ገዛ ወጺኣ ኣብ እተኸደሉ እዋን ብሓደ ፖሊስ ተጨውያ። ድሕሪኡ ጾታዊ ዓመጽ ብምፍጻም ከም ዝቐተላ ቤት ፍርዲ ኣረጋጊጹ። እቲ ፖሊስ ንዓኣ ንምጭዋይ መደብ'ኳ እንተዘይነበሮ እቲ ገበን ንምፍጻም ግን ክዳለወሉ ዝጸንሐ ምዃኑ'ውን ገሊጹ። ብተመሳሳሊ ጓል 28 ዓመት ሳቢና ኔሳ ዝተባህለት መምህር መባእታዊ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ብ15 መስከረም 2021 ኣጋ ምሸት ኣብ ለንደን ግሪንዊች ተቐቲላ። ድሕሪ ቕትለት እዘን ደቂ ኣንስትዮ እምበኣር ኣብታ ሃገር 'WalkSafe' ዝተባህለ መተግበሪ ብብዝሒ ሰባት ዝጥቀምሉ እናኾነን እናዓበየን ይመጽእ ኣሎ። መስራቲት ኤማ ኬይ፡ ንርእሳ'ውን ሰባት ብዘይፍቓዳ ኣካላታ ምስ ተናኸፉዋ፣ ምስ ኣጋፍዑዋን ካልኦት ምልክታት ጾታዊ ትንኮያ ምስ ኣርኣዩዋን እያ ነዚ ሓሳብ ኣበጊሳቶ። \"እዚ መተግበሪ መሪር-ጥዑም'ዩ፤ ምኽንያቱ እንተዘይህሉ ምመረጽና። ዋላ ሓደ ድሕነቱ ዝሕልወሉ መተግበሪ ኣብ ዘለዎ ዓለም ክነብር ዝደሊ ሰብ ኣሎ ኢልና ኣይንኣምንን፤ ግን ብዘሕዝን መልክዑ ነዚ ዝጠልብ ቦታ ኣሎ\" ትብል። እዚ መተግበሪ ኣብቲ ዝቕጽል ዓመት ሓደሽቲ መልክዓት ክሕዝ ክግበር እዩ። እዚ መሓዙትኻን ኣባላት ስድራኻን ዘለኻሉ ኩነታት ክፈልጡ ዘኽእሎም ቀጥታዊ ካርታ ዘርእን ክተዕልሎም ዘኽእልን እዩ። ሕጂ ተጠቀምቲ ናይ ቀረባ መረዳእታ ገበን ርእዮም ድሕነቶም ወይ ውሕስነቶም ተሓልዩ ናብ ገዝኦም ክበጽሕሉ ዘኽእል ሓባሪ መገዲ [ካርታ] ከዳልውሉ ዘኽእሎም መልክዕ እዩ ዘለዎ። ኬይ \"እቲ መተግበሪ ሰባት ዘይተጸበዩዎ ነገር ምስ በጽሖም ዘይኮነ ገበን ንምክልኻል ኣቐዲሞም ናይ መከላኸሊ ስጉምቲ ክወስዱ ዘኽእል'ዩ\" ኢላ። እዚ መተግበሪ ኣብ ወርሒ መጋቢት እዚ ዓመት [2021] ካብ ዝተኣታቶ ጀሚሩ ልዕሊ 560 ሽሕ ሰባት ኣብ ቴሌፎኖም ኣውሪዶምዎ ኣለው። ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ባዝ 'Epowar' ዝተባህለ መተግበሪ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሰዓት ይሰርሑ ኣለው። እዚ፡ ውቅዒት ልብን ምንቅስቓስን ሰብነትን መዚኑ እታ ተጠቃሚት ኣብ ጭንቀት ወይ ሽግር ኣላ ኢሉ እንተገሚቱ ቅጽበታዊ መልእክቲ ዝሰድድ ቴክኖሎጂ'ዩ። ሓደ ካብ መስረትቲ ተመሃሪት ኢ-ጄ ሮድት፡ ጽቡቕ መብራህቲ ኣብ ዘይብሉ ሕዛእቲ [ፓርክ] ስፖርት ኣብ እትሰርሐሉ ዝኾነ መጥቃዕቲ እንተበጽሐኒኸ ዝብል ሕቶ ናብ ኣእምሮኣ ምስ ተቐልቀለ ዘበገሰቶ ሓሳብ ምዃኑ ትዛረብ። \"ስማርት ሰዓታት ወቕዒ ልቢ ክፈልጡ ከም ዝኽእሉ ምስ ፈለጥኹ እዚ ቴክኖሎጂ ድሕነት ጓል ኣንስተይቲ'ውን ንምሕላው ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና ኢለ\" ትብል። ዓቐን እዚ ሰዓት ንኡሽቶ ኮይኑ እቲ መተገብሪኡ ግን ጭንቀት ንምንባብን እቲ ተጠቃሚ ብእግሩ ኣብ ዝኸደሉ ወይ በይኑ ኣብ ዝጎየሉ ሰዓት ጥቕዓት እንተበጺሑዎ ምላሽ ንምሃብ ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ክጥቀም እዩ። \"እዚ ቅጽበታዊ ምላሽ ዝህብ ምዃኑ ወሳኒ ይገብሮ፤ ምኽንያቱ ከምዚኦም ዝበሉ ናይ ስንባደ ወይ ጾታዊ ዓመጽ መንቅሒ ደወላት ነቲ ገበን ዝፍጽም ኣካል ግዜ ዝህቡ ኣይኮኑን\" ትብል። መስራቲት 'bSafe' ዝተባህለ ናይ ሞባይል መተገብሪ ሪች ላርሰን እቲ ቴክኖሎጂ ኣብ እዋን ክሲ ይሕግዝ እዩ ኢሉ ይኣምን። እዚ መተግበሪ በድምጺ ዝሰርሕ ናይ ሓደጋ እዋን ደወል ስለ ዘለዎ፡ ዝኾነ ሓደጋ ከጋጥም እንከሎ ቅጽበታዊ ብዝኾነ ምላሽ ብቐጥታ ቪድዮ ክመሓላለፍን ንዝተመረጹ ኣብ ቴሌፎንካ ዘለው ሰባት ናይ ድምጺ መልእኽቲ ክጽሖምን ከምኡ'ውን ኩሉ ፍጻሜታት ክስነድን ዝገብር እዩ። \"እዚኦም ንኣብነት ከም ጾታዊ ዓመጽ [መብዛሕትኡ ግዜ መርትዖ ከተቕርበሎም ዝኸብዱ] ዝበሉ ጉዳያት ኣብ ቤት ፍርዲ መርትዖ ኮይኖም ክቐርቡ ይኽእሉ\" ይብል ላርሰን። ንሱ ጓሉ ካብ ዘጋጠማ ጾታዊ ዓመጽ ተበጊሱ'ዩ ነዚ ቴክኖሎጂ ምሂዙ። ቻርሌን፡ እዚ መተግበሪ እንተዝህልዋ ነይሩ ምስቲ ዝተሰምዓ ናይ ጥፍኣተኛነት ስምዒትን ዝጸረቶ ሕፍረትን ብዙሕ ኣይምተሳቐኹን ነይረ ኢላ ትኣምን። ኣብ 2020 ካብ ዝተመዝገቡ 58,845 ጾታዊ ዓመጻት እቶም 2,102 ጥራሕ ክሲ ከም ዝተመስረቶምን 1,439 ጥራሕ ገበነኛታት ከም ዝተባህሉን መረዳእታ ኣገልግሎት ዓቃቢ ሕጊ የመልክት። መንግስቲ ዓዲ ኢንግሊዝ ኣብ እዋን ጸልማት ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ድሕነት ደቂ ኣንስትዮ ንምምሕያሽ ሓሙሽተ ሚሊዮን ፓውንድ ባጀት ሰሊዑ'ዩ። እንተኾነ፡ እቶም ሰባት ንምጉዳእ ወይ ንምፍርራሕ ዕላማ ዘለዎም ሰባት ነቲ ቴክኖሎጂ ብዘይኣግባቡ ክጥቀምሉ ይኽእሉ'ዮም። ንኣብነት፡ ዝጠፍአ ስልክኹም ንምርካብ ዝሕግዙ ተመሳሰልቲ ቴክኖሎጂታት ሓደ ንክጠልፍ ወይ ክከታተል ዝደሊ ሰብ ክጥቀመሎም ይኽእል። ኣደ መንበር ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣንጻር ክትትል ዝተባህለ ተሓላቒ ገባሪ ሰናይ ራቼል ሆርማን-ብራውን \"ብዙሓት ግዳያት ኣብ ስልኮም ወይ ታብሌቶም ብዘሎ ሶፍትዌር ስፓይዌር ክትትል ዝግበሮምን ዝጥለፉን'ዮም\" ትብል። ወሲኻ \"ስፓይዌር እቲ ክትትል ዝገብር ሰብ ካሜራ ቴሌፎን እቲ ግዳይ ብምኽፋት እንታይ ይገብር ምህላው ክሰምዕን ክርእን የኽእሎ። ብተወሳኺ ዝልኣኹ መልእክታት ከንብቡን ካብቲ ቴሌፎን ክልእኹን፣ ኣበይ ምህላውኻ ክፈልጡን ይኽእሉ\" ኢላ። ከም Apple AirTags ወይ The Tile ዝበሉ ዝጠፍአ ቦርሳ፣ መፍትሕ ወይ ሻንጣ ክትረክብ ዝሕግዙ መተግበሪታት እዚ ስግኣት ክውስኽ ገይሮም እዮም። ፈጻሚት ስራሕ ውመንስ ኤይድ ፋራህ ናዚር ጉዳይ ድሕነት ብቴክኖሎጂ ጥራሕ ዝፍታሕ ኣይኮነን ትብል። \"እቶም መተግበሪታት ወይ ስማርት ሰዓታት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጎደናታት ድሕነት ክስምዐን ክገብሩ ይኽእሉ'ዮም፤ እንተኾነ እዚ ግዝያዊ መፍትሒ ነቲ ትኽክለኛ ምንጪ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘብጽሑዎ ግህሰት ክዝንጋዕ'ዮም ዝገብሩ\" ኢላ። ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መገዲ ድሕነት ዘይስመዐን ናይ ጎደናታት መብራህቲ ስለ ዝውሕድ ወይ ሕጽረት መተግበሪታት ስለ ዘሎ ዘይኮነ እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ጾታዊ ዓመጽ ልሙድ ዝገብር ኣድልዎኣዊ ኣተሓሳስባን ጽልኣትን እዩ ክትብል ትካታዕ። \"ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ እቲ ዝበጽሐን ግህሰት ፖሊስ ይኹን እቲ ስርዓት ፍትሒ ከም ዘቆናጽቦ፣ ከም ዘይኣምኖን ውድቂ ከም ዝገብሮን እየን ዝነግራና\" ኢላ። ስለ ዝኾነ ድማ እቶም ኣድልዎኣዊ ዝኾኑ ኣተሓሳስባታት ኣብ ምቅላስን ግዳያት ዝረኽብኦ ኣገልግሎት ኣብ ምምሕያሽን እንተተሰሪሑ ደቂ ኣንስትዮ ውሕስነት ተሰሚዑወን ክንቀሳቐሳ ይኽእላ እየን ትብል።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59633204"} {"headline":"ናይጀርያ፡ ደራፊ ኣፍሮቢትስ ኣብ መድረኽ ጾታዊ መጥቃዕቲ ወሪድዎ","content":"ናይጀርያዊ ደራፊ ኣፍሮቢትስ ኣብ መድረኽ እናደረፈ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝጋጠሞ ዘርኢ ቪድዮ ተዘርጊሑ። ሩገር ብዝብል ናይ መድረኽ ሽሙ ዝፍለጥ ወዲ 22 ዓመት ስነጥበባዊ ሚካኤል ኣደባዮ፡ 'ዲዮር' ዝተሰምየ ሙዚቃዊ ስርሑ ኣብ መድረኽ እናቕረበ እንከሎ፡ ካብቶም ተሳተፍቲ ብሕፍረቱ ጐቲቶምዎ። በዚ ኣመና ዝሰንበደ ሩገር፡ ንሒደት ካልኢታት ምድራፍ ደው ድሕሪ ምባል፡ ጸኒሑ ካብቲ መድረኽ ወሪዱ ከይዱ። እቲ ሕጂ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣዛራቢ ኰይኑ ዘሎ ቪድዮ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ብዛዕባ ዝፍጸም ጾታዊ መጥቃዕቲ ሓያሎ ክትዓት ኣልዒሉ ይርከብ። ንሱ፡ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እዚ ዝሃቦ ርእይቶ የለን፤ እቲ ተግባር ግን ብሰንበት ብሓንቲ ኣድናቒቱ ጓል ኣንስተይቲ ዝተፈጸመ ከም ዝኾነ ይግለጽ ኣሎ። እቲ ስነጥበባዊ ኣብ ካልእ መድረኽ ሙዚቃ እናቕረበ እንከሎ'ውን፡ ብተመሳሳሊ እታ ጓል ኣብ መድረኽ ወጺኣ ተንኳዪ ሳዕስዒት ክትስዕስዕ እንከላ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብብዝሒ ይዘውር ኣሎ። ንሳ ከምኡ ክትገብር እንከላ ግን ሩገር፡ ብትሕትና መንኮባ ትንክፍ ካብ ምባል ሓሊፉ ካልእ ክገብር ኣይርአን። እቲ ሕጂ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ ጉዳይ ግን ቁጥዐን ስንባደን ፈጢሩ ኣሎ። \"ኣብ ልዕሊ ሩገር ጾታዊ መጥቃዕቲ ክፍጸም ዘርኢ ቪድዮ ምስ ተዓዘብኩ ሰንቢደ'የ፣ ኣዝዩ ዘፍርሕ'ዩ። እቲ ወዲ ስርሑ'ዩ ዘቕርብ ነይሩ፤ ዝኾነ ሰብ ግን ሰላሙን ሓጐሱን መንዚዕዎ። መዓልታዊ ካብዚ ዝኸፍአ ነገራት ዘሕልፉ ደቂ ተባዕትዮ'ኳ እንተለው ፡ላግጺ ፈሪሖም ግን ኣይዛረብሉን\" ክብል ሓደ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ጽሒፉ። ካልእ ብወገኑ፡ \"ዓለም ኣብ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ቄናን ኣረኣእያ'ዩ ዘለዋ፤ ጾታዊ መጥቃዕቲታት ብደቂ ተባዕትዮ'ዮም ዝፍጸሙ ኢልና ስለ እንሓስብ ክብደሉ'ዮም ኣይንብልን። ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ግን ንጽህናኦም ብደቂ ኣንስትዮ ስኢኖም'ዮም፤ ዋላ ሓደ ስለ ዘይሰምዖም ግን ሓቢኦምዎ ይነብሩ፡\" ኢሉ። ሩገር፡ 'ባውንስ'ን 'ዲዮር'ን ዝብላ ሙዚቃታት ብዝርከብዎም ስነጥበባዊ ስርሓቱ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ካብ መጀመርታ'ዚ ዓመት'ዚ፡ ኣብ ኣፕል ሙዚቃ ኣብ ናይጀሪያ፡ ዩጋንዳ፡ ኬንያን ጋምቢያን ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ጸኒሑ'ሎ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60910326"} {"headline":"ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ኣጸያፊ ቪድዮ ዝረኣየ ኣባል ባይቶ ካብ ስርሑ ተኣልዩ","content":"ኣባል ባይቶ ዩናይትድ ኪንግደም ዝኾነ ኔል ፓሪሽ፡ ኣብ ውሽጢ ባይቶ ኣብ ቴሌፎኑ ኣጸያፊ [ፖርን] ቪድዮ እናርኣየ ተታሒዙ። ፓሪሽ፡ ብተግባሩ ከም ዝተጥዓሰ ብምግላጽ ብፍቓዱ ካብ ኣባልነቱ ኣግሊሉ ኣሎ። እቲ ኣባል ባይቶ ኣብ ቴሌቪዥን ቢቢሲ ቀሪቡ \"ናይ ዕብዳን ቅጽበት እዩ ነይሩ፤ እንታይ ከም ዝኾንኩ ኣይፈልጥን\" ኢሉ። ንሱ፡ እቲ ቪድዮ ደጋጊሙ ምርኣዩ ኣዘራራቢ ክገብሮ እንከሎ፡ መጀመርታ ካልእ ቁውም ነገር ዘለዎ ድረ ገጽ እናኣለሸ ከም ዝነበረን ብሽም ዝመሳሰል ክኸውን ይኽእል'ዩ ብዝብል ብጌጋ እቲ ናይ ግብረ ጽዩፍ ቪድዮ ዝሓዘ ቪድዮ ከም ዝመጽአ ይዛረብ። ድሕሪ ግን፡ ብፍላጡ ደጋጊሙ ርእዩዎ። ኣብ ኣኼባ ታሕተዋይ ቤት ምኽሪ እናሃለወ እቲ ቪድዮ ይርእዮ ነይሩ። ብዓርቢ፡ ኣባል ኮንዘርቫቲቭ ሰልፊ ፓሪሽ ካብቲ ባይቶ ክእገድ እንከሎ፡ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት እቲ ባይቶ እቲ ውልቀሰብ ቅድሚ ሕዚ'ውን ናይ ወሲብ ቪድዮ ይርኢ ነይሩ'ዩ ብምባል ምስክርነት ሂበን እየን። ፓሪሽ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት \"እቲ ዝገርም ነገር፡ ኣብቲ ዝኸፈትኩዎ ገጽ ትራክተራት እየ ዝርኢ ነይረ። ካብኡ ተመሳሳሊ ሽም ናብ ዘለዎ ካልእ ድረገጽ ኣትየ ንዝተወሰነ ግዜ ርእየዮ፤ ክገብሮ ኣይምተገብአን። ናተይ ዓብዪ ገበን ንኻልኣይ ግዜ ተመሊሰ ምርኣየይ እዩ\" ኢሉ። \"ኣዝዩ ዘሕፍር ጸያፍ ተግባር እየ ፈጺመ። የሕዝን፤ እዚ ውርደት ዕድመ ልክዕ ክኽተለኒ'ዩ\" ብምባል ንብዓት ሕንቕንቕ እናበሎ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ፓሪሽ ን12 ዓመታት ኣባል ባይቶ ኮይኑ ዝጸንሐ ፖለቲከኛ እዩ። ብኻልእ ወገን፡ ምስ ታይም መጽሄት ቃለ መጠይቕ ዝገበረት በዓልቲ ቤቱ ነቲ ብዙሕ ነቐፌታ ዝበጽሖ ዘሎ በዓል ቤታ ተኸላኺላ። \"ፍቑር በዓል ቤተይ እዩ፤ ጥዑይ ሰብ እዩ። ናይ ወሲብ ፊልም ብዝርእዩ ሰብኡት ንሓርቕ እንተኾይንና ኣብዚ መሬት ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣይክህልዋን\" ብምባል እቲ ጉዳይ መዘራረቢ ክኸውን የብሉን ኢላ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61268148"} {"headline":"ሕቡራት ሃገራት ንመዝነት ፍሉይ ተኸታታሊ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ከናውሕ ተሓቲቱ","content":"ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ንመዝነት ፍሉይ ተኸታታሊ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ከናውሕ ተሓቲቱ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን ዝርከብኦም 42 ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ናብ ወከልቲ ቀወምቲ ኣባላትን ተዓዘብትን ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፍኦ ደብዳበ እየን ነቲ ጠለብ ኣቕሪበን። መበል 50 ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ካብ 13 ሰነ ክሳዕ 8 ሓምለ 2022 ኣብ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ዝካየድ ኮይኑ ንጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ክዝቲ ትጽቢት ይግበር። እቲ ባይቶ ኪንዮ ምንዋሕ መዝነት እቲ ፍሉይ ተኸታታሊ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብሰብ መዚ ኤርትራ ንዝፍጸም ጥሕሰታት ክገልጽን ክኹንን ከምዝግባእ’ውን ኣዘኻኺረን። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ንኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ዘሕልፎ ውሳነ ምምሕያሽ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት እንተሎ ንምርኣይ ከም መወከሲ ዘገልግል ዝርዝራት (benchmarks for progress) ከቐምጥ ከኣ ጠሊበን። እቲ ኤርትራ ኣባሉ ዝኾነት ኣብ ጀነቫ ዝመደበሩ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሓምለ 2021 ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ንኩነታት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ተኸታቲሉ ጸብጻብ ከቕርብ ንመዝነት ሱዳናዊ መሓመድ ዓብደልሰላም ባቢከር ሓደ ዓመት ኣናዊሑ ነይሩ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ግን ኣብቲ እዋን ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ \"ንኤርትራ ንምስርጣይ\" ሕብረት ኣውሮጳን ኣመሪካን ዝጥቀምሉ \"ዘሕዝን\" ውሳነ'ዩ ክብል ነቒፉ። እቲ ፍሉይ ወኪል፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኤርትራ ኣብ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ዘርኣየቶ ምምሕያሽ ከምዘየለን፡ መሰላት ንምኽባር ዝሕግዝ ትካላውን ሕጋውን ኣሰራርሓ ከም ዘይብላን ገሊጹ ነይሩ። መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ፡ እቲ ጸብጻብ \"ዘይተረጋገጸ ክስታት\" ብምባል \"ፖለቲካዊ ዕላማ\" ዘለዎ'ዩ ክብል ግብረ መልሲ ሂብሉ'ዩ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ብዙሓት ኣብ ቀይዲ ዘእተዎም ዜጋታት ብዘይዝኾነ ፍርዳዊ መስርሕ ንዓመታት ኣብ ስዉር ኣብያተ-ማእሰርቲ ከምዝቕይድ ይግለጽ። ሓይልታት ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ከቢድ ግህሰት ዓለምለኻዊ መሰላት ብምፍጻም ከምዝኽሰሱ ዘዘኻኸረ እቲ በተን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ዝተጽሓፈ ደብዳበ፡ ኣብ ኤርትራ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ግዱድ ዕዮ ካልእ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ጌና ይቕጽል ከምዘሎ ከሲሱ። ካብ መንጎ እተን ነቲ ደብዳበ ዝኸተማ 42 ማሕበራት፡ ኤርትራ ፎከስ፣ ማሕበረ-ሰብ ሕጊ ኤርትራ፣ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን፣ ኤርትራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ኮሚተ ምውህሃድ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፣ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ‘ኢንፎርሜሽን ፎረም ፎር ኤርትራ’ ከምኡ’ውን ‘ዋን ደይ ስዩም’ ይርከባ። ኣብ ጥቅምቲ 2021 ንካልኣይ ግዜ ኣባል ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኮይና ዝተመረጸት ኤርትራ ክሳዕ 2024 ኣባል እቲ ባይቶ ኮይና ክተገልግል እያ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61536075"} {"headline":"ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ካብ ማህረምቲ ንኽትሃድም ካብ ደርቢ ዝጸደፈት ሰራሕተኛ ገዛ","content":"ብርቱኳን ቈልዓ 13 ዓመት'ያ። ቅድሚ ሒደት ዓመታት ሰራሕተኛ ገዛ ኰይና ከም ዝተቘጽረት ፈለጥታ ይዛረቡ። ብርቱኳን፡ ናይቶም እትሰርሓሎም ስድራ ቈልዑ እያ ትናቢ። ናብ ቤት ትምህርቲ ከም ዘይትኸይድ'ውን እቶም ዝፈልጥዋ ሰባት ይገልጹ። እቶም ዘስርሕዋ ሰባት ግን፡ የጋፍዑዋ፡ ይጸርፉዋ፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብተደጋጋሚ ከም ዝቕጥቅጥዋ ፖሊስ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ። ብ21 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም፡ ዝበጽሓ በደል ግን ካብ ካልእ እዋን ዝተፈለየ'ዩ። ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፡ ጎረባብቲ፡ ንብርቱኳን ብቐረባ ዝፈልጥዋ ሰባትን ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ ወረዳ ሓሙሽተን ብዛዕባ ኣብቲ ዕለት ዘጓነፈ ነገር ከምዚ ዝስዕብ ይብሉ። እቲ ጉዳይ፡ ኣብ ሰሚት ኮንደሚንየም ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ ረፋድ እቲ ዘስርሓ ሰብኣይ፡ \"ካብ ገዛ ኣቕሓ ጠፊኡ፣ ኣበይ ኣሎ?\" ይብላ። ንሳ ግን ኣይፈልጥን ክትብል መሊሳ። \"ኣይፈልጥን\" ምባላ ስለ ዘይተቐበሎ ክሃርማ ጀሚሩ፤ ልዕሊ ዓቐን ክትቅጥቀጥ እንከላ ሃለዋታ ኣጥፊኣ። መሊሱ ማይ ክደፍኣላ እንከሎ ተበራቢራ። ካብዚ እንተ ተረፍኩ ኢላ ካብቲ ገዛ ብጕያ ዝወጽአት ብርቱኳን፡ ካብ ራብዓይ ደርቢ ዘሊላ ናብ መሬት ወዲቓ። ሽዑ፡ ኣብ ዝባን ሓደ ድኳን ዓሊባ ድሕሪኡ ናብ መሬት ወዲቓ። ነበርቲ እቲ ኮንደሚንየም ከኣ ተጓይዮም ናብ ሕክምና ወሲዶምዋ። ነቲ ዘስርሓ ሰብኣይ ድማ ብፖሊስ ኣትሒዞምዎ። ብርቱኳን ኣብዚ ሕጂ እዋን ጥዕናዊ ምምሕያሽ ኣርእያ ኣላ። ቢቢሲ ብ5 ግንቦት 2014 ዓ.ም ዘዘራረቦ በዓል ሞያ ርክባት ህዝቢ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፡ ኮማንደር ማርቆስ ታደሰ፡ እቲ ውልቀሰብ ሕጂ'ውን ኣብ ቀይዲ ፖሊስ እዩ ዘሎ'ኳ እንተበለ፡ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ ግን፡ እቲ ውልቀሰብ ብዋሕስ ተፈቲሑ ዝብል ሓበሬታ ከም ዝበጽሓ ንቢቢሲ ገሊጻ። ክልተ ነበርቲ ሰሚት ኮንደሚንየም ድማ፡ እቲ ውልቀሰብ ድሕሪ ዝተወሰኑ መዓልታት ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሑ ኣብቲ ቀጽሪ ከም ዝርኣዩዎ ሓቢሮም። ዘመን [ስማ ተቐይሩ] ንብርቱኳን ብቐረባ እትፈልጣ ሰብ እያ። ንድሕነታ ስለ ዝሰግአት ግን ክሳብ ክንደይ ከም ዝፋለጡ ብወግዒ ክግለጽ ኣይደለየትን። \"ይመስለኒ፡ እቲ ሰብኣይ ላብቶፕ ጠፊኡኒ'ዩ ዝበለ። 'እቲ ላብቶፕ ኣምጽእዮ' ኢሉ ናብ መደቀሲ ክፍሊ ኣእትዩ ክሃርማ እንከሎ፡ ውነኣ ኣጥፊኣ። ማይ ምስ ኣፍሰሰላ'ያ ነቒሓ። ክሃርማ እንከሎ 'ግደፍ ኣይትቕተለኒ' ኢላ ትልምኖ ነይራ። ምስ ጨነቓን ምስ መረራን ግን ሃዲማ ወጺኣ ካብቲ ደርቢ ጸዲፋ፡\" ትብል። ንሳ ከም እትብሎ፡ ካብ ንግሆ ሰዓት 4፡00 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ጀሚሩ ብውሑድ ንኽልተ ሰዓታት እዩ ቀጥቂጥዋ። ብርቱኳን ካብቲ ደርቢ ክትጸድፍ እንከላ ድማ \"ሰንቢዱ\" ከም ዝነበረ ዘመን ትገልጽ። ኣብቲ ገዛ፡ ቈልዑ ምንባይን ካልኦት ዕዮታትን ተካይድ ከም ዝነበረት ክትጠቅስ እንከላ፡ ቅድሚኡ'ውን በቲ ዘስርሓ ሰብኣይ ኣካላዊ መጥቃዕቲ በጺሕዋ ከም ዝነበረ ትዛረብ። ድሕሪ'ቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝወረዳ ማህረምቲ ግን፡ ሕቘኣ ከም ዝሓመመት ገሊጻ። ጸሃይ [ስማ ዝተቐየረ] እቲ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ንኽኣቱ ካብ መንጐ ዝገበሩ ሰባት ሓንቲ እያ። እቲ ጉዳይ ሽፋን መራኸቢ ብዙሃን ከይረኸበ ከይተርፍ ብዝብል፡ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ኵነታት ንቢቢሲ ሓቢራ። ኣብቲ ዕለት፡ ኣውያት ሰሚዓ ካብ ገዛኣ ክትወጽእ እንከላ እታ ኮተቴ ካብቲ ህንጻ ጸዲፋ፣ ብጭቃ ተለዊሳ፣ ገጻ ተበላሽዩ፣ ሃለዋታ ኣጥፊኣ ኣብ መሬት ተዘርጊሓ ረኺባታ። ነበርቲ እቲ ኮንደሚንየም በቲ ከባቢ ትሓልፍ ዝነበረት መኪና ለሚኖም ንብርቱኳን ናብ ሕክምና ወሲዶምዋ። \"ብውሑድ ኣብቲ ገዛ ንሰለስተ ዓመታት ሰሪሓ'ያ። ቈልዓ 10 ዓመት ኰይና'ያ መጺኣ፤ ኣብቲ ዕለት ኣብ ዝባን እቲ ድኳን እንተዘይትዓልብ ነይራ ብህይወት እትተርፍ ኣይመስለንን፡\" ትብል። ካልእ ኣለም ዝተባህለት ነባሪት እቲ ኮንደሚንየም፡ መሰኻኽር ኮይኖም ናብ ፖሊስ ካብ ዝቐረቡ ሓንቲ'ያ። \"ካብ ዝባን እቲ ቈርቈሮ ምስ ወደቐት ውነኣ ኣጥፊኣ ነይራ። እቲ ሰብኣይ ሰንቢዱ እናጐየየ መጺኡ ናብ መደበር ጥዕና ተወሲዳ፡\" ኢላ። ኣብቲ ዕለት፡ ፖሊስ ናብቲ ቀጽሪ መጺኦም ሓበሬታ ከም ዝኣከቡን፡ ንቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናት እቲ ክፍለ ከተማ ሪፖርት ከም ዝተገብረን ሓቢራ። ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናት ወረዳ 5 እቲ ክፍል ከተማ ለሊሱ ብላታ ደበላ፡ ጥዕና እታ ግዳይ ይመሓየሽ ከም ዘሎ፡ ኣብ ሕቘኣ ግን ጸገም ከም ዘጋጠማን ገሊጻ። \"ሕጂ ምስ ሓትነኣ ከም ዘላን እቲ ጥርጡር ከም ዝተፈትሐን ሓበሬታ ኣለኒ\" ትብል። ቅድም ኢሉ'ውን፡ ኣብቲ ከባቢ ካልእ ቈልዓ 12 ዓመት \"ማህረምትን ምጉስቛልን ሰልችይዋ ብመስኮት ክትዘልል ክትብል ሒዝና ናብ ፖሊስ ኣብጺሕናያ ንፈልጥ ኢና፡\" ኢላ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መጥቃዕታት ርኢኻ ከም ዘይርኣኻ ኣክንዲ ምሕላፍ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንዝምልከቶ ኣካል ሓበሬታ ብምሃብ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝበጽሕ በደልን ብዝበዛን ንምቅላስ ከም ዝሕግዝ ተዛሪባ። \"መብዛሕትኡ ኣብ ኮንደሚንየማት ዝነብር ሰብ፡ ካብ ገጠር ዘመድን ቈልዓ ጐረቤትን እናምጽአ፡ ገዛ ዓጽዩ ጉልበቶም ይብዝብዞምን የጐሳቑሎምን'ዩ። ደቂ ኣንስትዮ ትምህርቲ ብምኽላእ መጻኢ ወለዶ ዘስእኑና ዘለው ብዙሓት'ዮም፡\" ትብል። በዓል ሞያ ርክባት ህዝቢ ፖሊስ እታ ከተማ ኮማንደር ማርቆስ ታደሰ ብወገኑ፡ እታ ግዳይ ካብቲ ዝወርዳ ዝነበረ ማህረምቲ ንምምላጥ ክትብል ካብቲ ደርቢ ጸዲፋ ከም ዝወደቐት ንመዝገብ ፖሊስ ጠቒሱ የረድእ። \"ካብቲ መዝገብ ከም እንርድኦ፡ እቲ በዳሊ ብሸነኽ ኣደኣ ዝምድና ኣለዎ። ናበይ ኬድኪ? እንታይ ትሰርሒ ኔርኪ? ኣበይ ጸኒሕኪ? እናበለ ወትሩ ይሃርማ ከም ዝነበረ እታ ግዳይ ቃላ ሂባ'ያ፡\" ኢሉ። ወሲኹ፡ \"ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሃገር ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ ገይርካ ክርአ ኣለዎ፡\" ብምባል ሕብረተሰብ ሓጋዚ ተራ ክጻወት ሓቲቱ። ሰራሕተኛታት ገዛ ብርክት ንዝበሉ ጸገማት ዝተቓልዓ ኰይነን፡ ማህረምቲ፡ ጾታዊ ትንኮያ፡ ቃላዊ መጥቃዕታት፡ ደሞዝ ምቕጻዕ፡ ስልኪ ምኽልካል፡ ዝድቅሳሉ ግዜ ምስኣን፡ መግቢ ምኽላእን ካልኦት ኢ-ሰብኣዊ ተግባራትን ከም ዝወርደን ጸብጻባት የመልክቱ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/61489971"} {"headline":"ብድሕሪ ዘጋጠመን ጾታዊ-መጥቃዕቲ ብብቕዓት ደው ክብላ ዝቃለሳ ደቂኣንስትዮ","content":"ስንዱን ኣሰለፍን ንኣዲስ ኣበባ ብስም ጥራሕ’የን ዝፈልጥኣ ነይረን። ኣብቲ ተወሊደን ዝዓበያሉ ናይ ገጠር ቀበሌ ኣዲስ ኣበባ ኩሉ ነገር ዘይሰኣና፤ ንዓይንን እዝንን ዝምቸው ነገራት ጥራሕ ዝርከበላ፤ ሰሪሕኻ እትልወጠላ፤ ካብ ናብረአን ሓሊፉ ንናብራ ድኻታት ቤተሰበን ከመሓይሻ ዝኽእላሉ ዕድል ዝረኽባላ ዓባይ ከተማ ከምዝኾነት ትቑጸር። በዚ ተስፋታት ልበን ዝሸፈተ ስንዱን ኣሰለፍን ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምኻድ መዓልቲ ቆሪጸን ናብ ኣውቶብስን እንተዘይተሳፈራ’ኳ ልበን ግን ኣቐዲሙ ሸፊቱ’ሎ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እናሃለዋ ድማ “ጉዳይ ኣዲስ ኣበባ ነዓይ ግደፋለይ” ዝብል ሰብ ተረኸበ። ስንዱ ኣብዚ እዋን ብሞያ ኣተሓሕዛ ገዛ ስልጠና ወሲዳ ኣብ ሓደ ገዛ ተቖጺራ ኣብ ምስራሕ ትርከብ። ነቲ ቅድሚ ገለ ዓመታት ዝነበረ ህይወታ ናብ ድሕሪት ምልስ ኢላ ክትዝክሮ ከላ ግን ንነብሳ ኣብቲ ሎሚ ዘላትሉ ቦታ ከምእትረኽባ ገሚታ ኣይትፈልጥን ነይራ። ኣብ ሙሉእ ዕድሜኣ ብሕታውነት ተሰሚዕዋ ዘይፈልጥ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምጽኣ ግን ንታሪኽ ህይወታ ብሓድሽ መልክዕ ክጽሕፎ ጀመረ። ስንዱ በዓልቲ ሓዳርን ኣደ ሓደ ቆልዓን’ያ ነይራ። ሓዋ ናብ ኣዲስ ኣበባ እንተኸይዳ ዝሓሸ ናብራ ክህልዋ ከምዝኽእል ሰሪሓን ጽዒራን ገንዘብ ክተዋህልል ከምእትኽእል ምስነገራ ንወዳ ምስ ቤተሰባ ገዲፋ፤ ንሓዋ ኣሚና ነይራ ናብታ ብዙሕ ዝዝረበላ ኣዲስ ኣበባ ዝኸደት። ሓዋ ንመኽፈሊ ኣውቶብስ ዝኾና 200 ብር ምስለኣኸላ ነቲ ወዲ ክልተ ዓመት ወዳ ምስ ኣዲኣ ገዲፋ ተጓዓዘት። ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስኣተወት ድማ ቆልዓ ናይ ምሕብሓብ ዕድል ስራሕ ረኸበት። ነቲ ስራሕ ክትረክብ ዝገበራ ሓዋ ድማ ወርሓዊ ደሞዛ እናተቐበለ ከቐምጠላ ጀመረ። ስንዱ ነተን ምስ ሓዋ ትዓቑረን ዘላ ገንዘብ ሒዛ ንወዳን ቤተሰባን ክትርእይ ትሓሰብ ኣብ ዝነበረትሉ ሓደ እዋን ክፉእ ነገር ኣጋጠማ። በዓል ገዛ ናይታ ተቖጺራ ትሰርሓላ ዝነበረት ሰበይቲ ተጋሰሳ። እዚ ጾታዊ ግህሰት ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈጸማ ስንዱ ካብቲ ገዛ ብምውጻእ ኣብ ካልእ ገዛ ተቖጺራ ምስራሕ ቀጸለት። ድሕሪ እዋን ነብሰ-ጾር ምዃና ዝፈለጠት ስንዱ ነቶም ዘስርሕዋ ገዛ ምስኣፍለጠቶም ምስኦም ክትቕጽል ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። ምስ ሓዋ ትዓቑሮ ዝነበረት ገንዘብ 2000 ብር ከምዝበጽሐ እትፈልጥ ስንዱ ንኽህባ ምስሓተተቶ ክህባ ኣይከኣለን። ሰባት እናልኣኸት ክህባ እንተተማሕጸነቶ’ውን ፍቓደኛ ኣይነበረን። ካብቲ እዋን ንደሓር ድማ ካብ ኢድ ሰብ እትጽበ ከምዝኾነት ትዛረብ። ሓንቲ ሰበይቲ ገንዘብ ሂባታ ገዛ ተኻርያ ክትነብር ጀመረት። ግዜ ሕርሲ ምስኣኸለ ድማ ብሕክምና መጥባሕቲ ክትወልድ ከኣለት። ቀደሙ ንነብሳ’ኳ ክኢላ ክትነብር ዘይትኽእል ዝነበረት ስንዱ ውላድ ተወሲኽዎ ናብራ ፈተና እናኾና ከምዝኸደ ትዛረብ። ናይ 15 መዓልታት ሓራስ እናሃለወት ናብ ሓደ ንደቂኣንስትዮ ዝተዳለወ መዕረፊ [ትካል ግብረ-ሰናይ] ክትኣትው ሰባት ስለዝሓገዝዋ፤ ናብቲ ትካል ምስ ኣተወት ድማ ነቲ ዝደፈራ ሰብ ከሲሳ ንውላዳ ቐለብ ዝኸውን ገንዘብ በቢወርሒ ክኸፍላ ተፈሪዱላ ነይሩ። ካብቲ ማእኸል ደቂኣንስትዮ ምስወጸት ግን እቲ ንዝተወሰኑ ኣዋርሕ ንቐለብ ቆልዓ ዝኸውን ገንዘብ ዝህባ ዝነበረ ኣቦ ውሉዳ ነቲ ገንዘብ ኣቋረጾ። ንሳ’ውን ሕሪኡ እናተጓየየት ሃበኒ ክትብል ኣይከኣለትን። ኣብቲ ንደቂኣንስትዮ ዝሕግዝ ማእኸል ኣብ ዝጸንሐትሉ እዋን ዝተፈላለዩ ሙያ ከምዝሰልጠነት እትዛረብ ስንዱ፡ ምስወጸአት በቲ ዝሰልጠነቶ ሞያ ትሰርሕ ከምዝነበረት ትገልጽ። ኣብዚ እዋን ከኣ ብኣተሓሕዛ ገዛ ሰልጢና ትሰርሕ ምህላዋ ንቢቢሲ ተዛሪባ። ኣሰለፍ [ነዚ ዛንታ ብዝብል ስማ ዝተቐየረ] “ሻሂ ቡን እናሸጥኩ እየ ዝመሓደር” ትብል። ተወሊዳ ኣብ ዝዓበየትሉ ገጠር ናብ ቤት ትምህርቲ ናይ ምኻድ ድልየት እንተነበራ’ኳ ኣካላዊ መጉዳእቲ ስለዘለዋ ግን ብትምህርታ ክትደፍእ ዘተባብዓ ሰብ ኣይረኸበትን። “ገዛ ክሕልወሎምን ከጸራርየሎምን ጥራሕ ይደልዩ ነይሮም” ትብል። ኣብ ውሽጣ ብዙሕ ባህግታት ከምዝነበራን “ይኽእል እየ” ዝብል ድልዱል መንፈስ ከምዘለዋን እትገልጽ ኣሰለፍ፡ ናብታ ብዙሕ ዝዝረበላ ኣዲስ ኣበባ ጠፊኣ መጸት። እታ ጉድኣት ኣካል ዘለዋ ኣሰለፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስመጸአት ዘጋጠማ ህይወት ግን ኣብ ጎደና ምሕዳር ነይሩ። ሽዑ ክትመጽእ ከላ ጓል 14 ዓመት ከምዝነበረት ትዛረብ። ንሓደ ዓመት ዝኣክል ኣብ ጎደና ምስጸንሐት ሓደ ለይቲ ተዓመፀት። በቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈጸመ ጾታዊ ግህሰት ውኒኣ ስሒታ ዝረኸብዋ ኣባላት ፖሊስ ናብ ሆስፒታል ወሰድዋ። ኣብቲ ሆስፒታል ግቡእ ሕክምና ምስረኸበት ድማ ናብቲ ማእኸል ደቂኣንስትዮ ክትኣትው ተገበረት። ፖሊስ ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ጾታዊ ግህሰት ዝፈጸመ ሰብ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ክሰምር ከምዘይከኣለ ኣሰለፍ ትዛረብ። ብዝተገበረላ ምርመራ ኤች ኣይቪን ጥንስን ድማ ነብሰጾር ከምዝኾነት ጥራሕ ተረጋገጸ። ካብ ካልኦት ደቂኣንስትዮ ብዝተፈለየ ኣብቲ ማእኸል ንኽልተ ዓመታት ክትጸንሐ ከምዝተገበረት እትዛረብ ኣሰለፍ፡ ክሳብ እትወልድን ድሕሪ ምውላዳን ብዙሕ ሓገዛት ከምዝረኸበት ትገልጽ። ናብ ጎደና ክሳብ ዝወጸትሉ እዋን ኩሉ ሰብ “ኣይትኽእልን” ይብላ ከምዝነበረ፡ ኣብቲ ማእኸል ደቂኣንስትዮ ግን ኩሉ ነገር ክትገብር ከምእትኽእል ክተርእይ ከምዝኸኣለት ትዛረብ። ክእለት ስራሕቲ ንግዲ፣ ስልጠና ምድላው ምግብን ካልኦት ሞያታትን ብምውሳድ ንነብሳ ብቕዕቲ ከምዝገበረት’ውን ትሕብር። ኣብቲ ማእኸል ዝነበራ ጻንሒት ዛዚማ ምስወጸአት ድማ ናብ ንግዲ ተዋፈረት። ኣብቲ ፈለማታት ኣብ ጽርጊያ ኮፍ ኢላ ሶፍትን ዝመሳሰሉን ትሸይጥ ዝነበረት ኣሰለፍ “ኣብዚ እዋን ኮንቴይነር [ብሓጺን ዝተሰርሐ ሹቕ] ተዋሂቡኒ ሻሂ ቡን እሸይጥ ኣለኹ” ትብል። ክሳብ ሎሚ ብዙሓት ብድሆታት ከምዘሕለፈት ብምግላጽ “ድሕሪ ሕዚ ግን ዝሓሰብክዎ ነገር ዕውት ካብ ምግባር ዝእግደኒ ነገር የለን” ክትብል ዘለዋ ነብሰ-ምትእምማን ትገልጽ። ኣብ መጻኢ ድማ ንዝተዋፈረትሉ ስራሕቲ ንግዲ ብምስፋሕ ካልኦት ጉድኣት ኣካል ደቂኣንስትዮ ቆጺራ ክተስርሕን ዕድል ስራሕ ክትፈጥረለንን ድልየት አለዋ። ቅድም ክብል ማሕበር ምክልኻል ጾታዊ መጥቃዕቲ ብዝብል ዝፍለጥ ዝነበረ ሎሚ ማሕበር ልምዓት መዕረፊ ደቂኣንስትዮ ዝብል ስያመ ሒዙ’ሎ። ብዝበጽሐን ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝተሃሰያን ኣብ ጎነን ዝድግፈን ሰብ ዝሰኣናን ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ንምሕጋዝ ዝሰርሕ ትካል’ዩ። እዚ ማሕበር ንዝተደፈራ (ጾታዊ ግህሰት ንዝተፈጸመን) ደቂ ኣንስትዮ ናይ ሕጊ ደገፍን ሞያዊ ስልጠናታትን እናሃበ 18 ዓመታት ኣቑጺሩ’ሎ። እቲ ቅድሚ 18 ዓመታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተመስረተ ማሕበር ኣብዚ እዋን ኣብ ከተማታት ኣዳማን ሃዋሳን ደቂኣንስትዮ ዝዓርፋሎም ክልተ ማእኸላት ከምኡ’ውን ኣብ ደሴን ሑመራን ተወሰኽቲ ኣብያተ ጽሕፈት ብምኽፋት ንግዳያት ፆታዊ ዓመጽ ደገፍ ኣብ ምሃብ ይርከብ። ብሰንኪ’ቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ኲናት ንዝተፈላለዩ ጾታዊ መጥቃዕቲታት ዝተቓልዓ ደቂኣንስትዮ ንምድጋፍ ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ወልዲያ ሓደ መዕረፊ ብምኽፋት ይሰርሕ ምህላዉ፡ ኣተሓባባሪት እቲ ታካል ኑንያት ጎሳዬ ንቢቢሲ ተዛሪባ። ግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝኾና ደቂኣንስትዮ ናብቶም ማእኸላት ምስኣተዋ ንድልየተን መሰረት ዝገበሩ ሞያዊ ስልጠናታት ከምዝወሃብወን ኑንያት ትገልጽ። ካብዚ ብተወሳኺ ድማ መዕበዪ ግንዛበን ድጋፍን፤ ፈጠራ ስራሕን ዕድል ኣብ ምምችቻውን፤ ደገፍ ስነልቦናን ሕክምናን ይህብ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60658110"} {"headline":"ቤት ፍርዲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንአዘራረቢ ቕትለት ሽጐፋትሶ ፒዩል ንዓርካ ፈሪዱ","content":"ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ንመላእ 'ታ ሃገር ኣሰንቢዱ ዝነበረ ጉዳይ ቅትለት ሓንቲ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጓለንስተይቲ፡ ዓርካ ብ'ዝተዋደደ ቅትለት' ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጆሃንስበርግ፡ ቱሱኮ ንቶኮዞ ሾባ፡ ንቕትለት ሽጐፋትሶ ብምውጣንን ንቐታሊ ብምኽፋልን ገበነኛ ምዃኑ ወሲኑ። ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ እታ ነፍሰጾር ዝነበረት ጓል 28 ዓመት፡ ኣፍልባ ብጥይት ተሃሪሙ'ዩ ሬሳኣ ኣብ ገረብ ተንጠልጢሉ ዝተረኽበ። እቲ ቕትለት፡ ብፕረሲደንት ሲርል ራማፎሳ ከይተረፈ ሰፊሕ ዝተዀነነ ፍጻመ እዩ ነይሩ። ንሱ ኣቐዲሙ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓደ ካብቲ \"ኣመና ዘይውሑስ ቦታታት ዓለም ንደቀንስትዮ እዩ፡\" ክብል ገሊጹ ነይሩ። ኣብታ፡ 'ቅትለት ደቂኣስንትዮ ብደቂተባዕትዮ' [ፈሚሳይድ] ወሲኽካ ኣብ ዓለም ልዑል መጠን ዓመጽ ካብ ዝዝውተረለን ሃገራት ሓንቲ ዝዀነት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሞት ሽጐፋትሶ ንብዙሓት ዘሰንበደ ፍጻመ ነይሩ። ንቕትለት ፒዩል ብምፍጻም ኣሚኑ፡ ን20 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ ዘሎ ሙዚካዪሰ ማለፋነ፡ ኣውራ ወጣኒ 'ቲ ቕትለት ዓርካ ምዃኑ ምስክርነት ሂቡ። ንሱ ኣብ ቤት ፍርዲ ብዝሃቦ ቃል መሰረት፡ እታ ጥርጣረ ዘይነበራ ንጽህቲ ፒዩል ናብ ሓደ መራኸቢ ቦታ ንኽትመጽእ ምስዓደማ፡ ሾባ ሓደ ሰብ ቈጺሩ ነይሩ፣ እቲ ቕትለት ዝተፈጸመ ኸኣ ኣብ ካልኣይ ፈተነ እዩ። ማለፋነ ከም ዝበሎ፡ ሾባ፡ እቲ ንሺጐፋትሶ ዝገጠመ ጥንሲ ብበዓልቲ ቤቱ ምእንቲ ከይፍለጥ እዩ፡ ንኣኣ ክቐትላ ወሲኑ። ንሱ፡ ነታ ሕጋዊት በዓልቲ ቤቱን ነቲ ብሰንኪ እምነት ምጕዳሉ ክኸፍሎ ዝግባእ ካሕሳን ንኸይከስር ብምስጋእ ኣብዚ ገበን ከም ዝኣተወ ይንገር። እቲ ናይ 'ፎረክስ' ነጋዳይ ዝዀነ ሾባ፡ ገበነኛ ከምዘይኰነን ብዘይወዓሎ ይውንጀል ከም ዘሎን ንቤት ፍርዲ ኣቤቱታኡ ኣቕሪቡ ነይሩ። ብይን ዝሃበ ማእከላይ ዳኛ ስትዋርት ዊልሰን፡ ኵሎም እቶም ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ መርትዖታት፡ ሾባ ብድሕሪ 'ቲ ገበን ከም ዘሎ ዘረጋገጹ ምዃኖም ገሊጹ። ሾባ፡ ኣብ ፈለማ ግንቦት ፍርዲ ክወሃቦ እዩ። ስድራቤት ግዳይ፡ 'ፍትሒ ተረጋጊጹ' ብምባል ኣብ ኣፍደገ እቲ ቤት ፍርዲ ክጭድሩ፡ ከበኽዩን ክተሓቛቘፉን ተራእዮም። ሽጐፋትሶ፡ ኣብቲ ዝተቐትለትሉ ግዜ ቀዳማይ ቈልዓኣ ክትብኰር'ያ ሃረር ትብል ነይሩ። ቅትለታ፡ 'ሃሽታግ ፍትሒ ንሽጐ' [#JusticeForTshego] ንዝብል ጎስጓስ ትዊተር ድርኺት ፈጢሩ ነይሩ። ከም ግብረመልሲ ናይዚ፡ ፕረዚደንት ሲርል ራማፎሳ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝዅንን መግለጺ ሂቡ ነይሩ። ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ \"ዓመጸኛታት ደቂተባዕትዮ፡ ነቲ ዝልቕ ዝበለ ዕጽዋን ገደብ ምንቅስቓስን [ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና]፡ ደቀንስትዮን ቈልዑን ንኸጥቅዑ ናብ ረብሓኦም የውዕልዎ ኣለው፡\" ኢሉ። ብመሰረት መግለጺ 'ቲ ፕረዚደንት፡ 51% ደቀንስትዮ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ምስኣተን ዝምድና ብዝጸንሖም ደቂ ተባዕትዮ መጥቃዕቲ ይወርደን።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60885134"} {"headline":"ሓይልታት ህወሓት ንህጻናት ሓዊሱ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ መጥቃዕቲ ፈጺሞም- መንግስቲ ክልል ኣምሓራ","content":"ኣብ ከተማ ሸዋ ሮቢት፡ ኣብ ዝተፈላለያ ኣባይቲ እንጀራ እናሰንከታን ዕለታዊ ጉልበታዊ ስራሕ እናሰርሓን ንወዲ 16 ዓመት ሓደ ውላደን ኣብ ዝብጻሕ ከብጽሓ ካብ ኢደን ናብ ኣፈን ዝነብራ ዝነበራ 50 ዓመተን ዝሰገራ ሓንቲ ፍልጥቲ ድኻ ኣደ ነበራ። እዘን ኣደ ሕጂ ብህይወት የለዋን። ነቲ ከም ብሌን ዓይነን ዝርእየኦ ዝነበራ ሓደ ውላደን ገዲፈን ብሞት ተፈልየን። ሞተን ግን ንቡር ሞት ስለዘይነበረ ንብዙሓት ኣሰምቢዱ። ሓይልታት ህወሓት ነታ ዝነብራላ ዝነበራ ከተማ ሸዋ ሮቢት ክቆጻጸሩዋ ምስ ቀረቡ እዩ እቲ ሞት ዘምረጸን ሓደጋ ኣጋጢሙወን። ሽዑ እቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ህይወቱ ከድሕን ካብታ ከተማ ሃዲሙ። እተን ኣደን ካልኦት መህደምን መጸግዕን ዘይነበሮም ፈጣሪኦም ኣሚኖም እዝጊ ዘውዓለና ንውዕል ዝበሉ ኣኣብ ቤቶም ጸኒሖም። እተን ኣደ ኣብታ ምስ ወደን ተኻርየን ዝነብራላ ዝነበራ ገዛ ንበይነን እንከለዋ ብ11ሕዳር ሓይልታት ትግራይ ነታ ከተማ ተቖጻጺሮማ። ክሳብ 22 ሕዳር 2014 ከኣ እታ ከተማ ዳግማይ ኣብ ኢድ መንግስቲ እትኣቱ ን11 መዓልታት ኣብታ ከተማ እንታይ ከምዝተፈጸመ ዝፈልጥ ኣይነበረን። ወኪል ቤት ጽሕፈት ፖሊስ እታ ከተማ፡ ኮማንደር አሕመድ መሐመድ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ንዘጋጠመ ጾታዊ ዓመጽ ብዝምልት ሓበሬታ ክእክቡ እንከለው እዮም እተን ምስኪን ኣደ ብሰራዊት ትግራይ ብዕስለ ምስተደፍራ ነብሰን ከምዘጥፈኣ ፈሊጦም። እቶም ወተሃደራት ትግራይ ንወዲ 16 ዓመት ወደን ኣብ ሓደ ገዛ ዓጽዮም እዮም ደፊሮመን። \"ሽዱሽተ ሰባት ምስደፈሩወን፡ ከመይ ኣቢለ ገጽ ወደይ ክርኢ፡ ንሱ’ኸ ከመይ ኣቢሉ ክርእየኒ ብምባል ብገመድ ተሓኒቐን ነብሰን ቀቲለን” ክብል ካብ ውላደንን ነበርቲ እቲ ከባቢን ሓበሬታ ረኺበ ዝበለ ኮማንደር አሕመድ ይገልጽ። ስነ ስርዓት ቀብረን ከኣ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ናይ እስላም መቓብር ከምዝተቐብረ ኣረጋጊጹ። \"እቲ ደኺመን ዘዕበየኦ ወዲ 16 ዓመት ውላደን ከኣ 'ጽድቂ ዝደለየ ሰብ’ ኣጸጊዑዎ ኣሎ” ኢሉ። ኣብ ካልእ ቀበሌ እውን ኣብ ተመሳሳሊ ዕድመ ኣብ ዝርከባ ኣዴታት ተመሳሳሊ ጾታዊ ዓመጽ ከምዘጋጠመን ዝርዝር ሓበሬታ ይእክቡ ከምዘለውን እቲ ኮማንደር ንቢቢሲ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኩናት ናብ ክልል ዓፈርን ኣምሓራን ምስ ለሓመ ኣብቲ ሓይልታት ትግራይ ተቖጻጺሮሞ ዝነበሩ ኣከባቢ ኣብ ትሕቲ ዕድመ ደቀንስትዮ ከይተረፈ ጾታዊ ዓመጽ ከምዘጋጠመ ተመዝጊቡ ኣሎ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ደቀንስትዮን፡ ሕጻናትን መንእሰያትን ወ\/ሮ አስናቁ ደረስ፣ ኣብቲ ህወሓት ተቖጻጺሩዎ ዝጸንሐ ኣከባቢ \"አሰቃቒ ጾታዊ ዓመጽ\" ከምዝተፈጸመ ንቢቢሲ ሓቢራ። እታ ሓላፊት፡ እቲ ዝሓለፈ መወዳእታ ጥቅምቲ ኣብ ሰሜን ጎንደር ደባርቅን ዳባትን ከባቢኣን፡ ከምኡ እውን ኣብ ደቡብ ጎንደር ጋይንትን ታሕታይ ጋይንትን ከምኡ እውን ኣብ ነፋስ መውጫ ሰሜን ሸዋ፡ ኣብ ሰለስተ ዞባታት ዳህሳስን መጽናዕትን ዘካየደ ቤት ጽሕፈት እቲ ክልል፡ ብዙሓት ደቀንስትዮ \"ብዝወረደን ጾታዊ ድፍረት ህይወተን ከምዘጥፍኣን ኣካላውን ስነ አእምሮኣውን ጉድኣት በጺሑወን” ክትብል ተረድእ። ወ\/ሮ አስናቁ፡ ኣብቲ ኣከባቢ ጥራሕ 147 ደቀንስትዮ ብሓይሊ ከምዝተዓመጻን ን116 ሰባት ብኣካል ከምዘዘራረበትን ካብተን ዝተዓመጻ ደቀንስትዮ ከኣ እተን 19 ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ከምዝኾና፤ እተን ዝተደፍራ ካብ ጓል 12 ቖልዓ ክሳብ ጓል 80 ዓመት ሽማግለ ከምዝርከበአን እቲ ናይ ዳህሳስ መጽናዕቲ ከምዝሕብር ኣረዲኣ። ቁጽርን ብዝሕን ናይተን ዝተዓመጻ ደቀንስትዮ ብምልኣት ንምርካብ ምስ ውልቃዊ ብሕትውናን ስነ ምግባር ሕክምናን ኣሸጋሪ ምዃኑ ብምግላጽ ኣብቲ ኣከባቢ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመን ደቀንስትዮ ካብኡ ንላዕሊ ክኾና ከምዝኽእላ ሓቢራ። \"ካብተን ዝተዓመጻ ነብሰ ጾራት እውን ይርከበአን\" ኣብ ከተማ ነፋስ መውጫ ብዙሓት ዓመጽ ዘጋጠመን ደቀንሰትዮ ከምዘለዋ እቲ ዝተኣከበ ሪፖርት ይሕብር። ሓይልታት ህወሓት ብ06 ነሓሰ 2013 ዓመተ ምሕረት ግእዝ ናብታ ከተማ ኣትዮም ንሰሙን ጸኒሖም። ኣመሓዳሪ እታ ከተማ ከንቲባ ሙላው ጤናው ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ ኣብ ከተማ ነፋስ መውጫ ጥራይ ኣርባዕተ ኣዴታትን ክልተ ነብሶ ጾራትን ዝርከበአን ኣስታት 73 ደቀንስትዮ ብዓመጽ ከምዝተደፍራ ሓቢሩ። \"እተን ሰባት ዓመጽ ከምዘጋጠመን ባዕለተን ዝተዛረባ እየን\" ዝበለ እቲ ከንቲባ ብሕፍረት ክዛረባ ዘይደልያ እውን ክህልዋ ስለዝኽእላ እቲ ቁጽሪ ብዙሕ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሉ። ካብተን ከም ዝተደፍራ ዝሓበራ 73 ደቀንስትዮ እተን 28 ኣብ ባህር ዳር ፈለገ ሕይወት ሆስፒታል ናይ ስነ ልቦና ሕክምና ሓገዝ ይግበረለን ከምዘሎ ዝገለጸ ኣቶ ሙላው ኣብ ወጻኢ ምስ ዝነብሩ ተወለድቲ ኣምሓራ ብምትሕብባር ካብ ዝወረዶም ጉድኣት ንኽፍወሳ ጻዕሪ ይግበር ምህላው ሓቢሩ። ካብተን መርመራ ዝተገብረለን ዓመጽ ዘጋጠመን ደቀንስትዮ ክልተ ናይ ኤች-አይ-ቪ ቫይረስ ከምዝተረኽበን ሓንቲ ድማ ናይ አእምሮ ጸገም ከምዝፈጠረላ ተዛሪቡ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣህጉራዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላት አምነስቲ ኢንተርናሽናል 16 ብሰራዊት ህወሓት ዝተዓመጻ ነበርቲ ከተማ ንፋስ መውጫ ከምዝኾናን ከምዘዘራረበንን ኣብ ዘውጸኦ ሪፖርት ሓቢሩ። እተን ደቀንስትዮ ብሻምብቆ ብረት ተገዲደን ከምዝተደፍራን ከምዝተዘምታን ኣካላውን ኣፋውን መጥቃዕትን ጸርፍን ከምዘጋጠመን ኣረዲኡ። ካብተን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዘዘራረበን ጾታዊ ዓመጽ ዘጋጠመን 16 ደቀንስትዮ እተን 14 ብጉጅለ ከምዝተደፍራ ሓቢረን። እቲ ዳህሳስ ኣብ ዘይሸፈኖ ኣከባቢ እውን ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ከምዘጋጠመ ተመዝጊቡ ኣሎ። ሓይልታት ህወሓት ካብ ፈለማ ነሓሰ ክሳብ መስከረም ተቖጻጺሩዎ ኣብ ዝጸንሐ ወረዳ መቄት ጾታዊ ዓመጽ ከምዝተፈጸመ እውን ምንጭታት ሆስፒታል ንቢቢሲ ሓቢሮም። ኣብቲ ወረዳ ኣካያዲ ስራሕ ሆስፒታል ፍላቂት አቶ ይበልጣል ጌታ፡ እቲ ኣከባቢ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት መንግስቲ ምስ ኣተወ ካብተን ብሰራዊት ህወሓት ዝተደፍራ ደቀንስትዮ ኣብቲ ሆስፒታል መጺአን ክሕከማ ከምዝጀመራን ገሊጾም። \"ሸሞንተ ጾታዊ ዓመጽ ዝወረደን ደቀንስትዮ ኣብ ሆስፒታል ፍላቂት ሕክምናዊ ረድኤት ተገይሩለን\" ዝብል አቶ ይበልጣል፣ ኣብቲ ወረዳ \"ሰለስተ ደቀንስትዮ ድሕሪ’ቲ ዘጋጠመን ጾታዊ ዓመጽ ሞይተን\" ኢሉ። እተን ዓመጽ ዘጋጠመን ደቀንስትዮ ኣብ ዝተፈላለየ ክልል ዕድመ ከምዝርከባን \"ኣንስቲ ካህናት\" ከይተረፋ ግዳይ ከምዝኾና አቶ ይበልጣል ሓቢሩ። አቶ ይበልጣል \"ክሳብ ሕጂ ብዘለና ሓበሬታ 32 ደቀንስትዮ ተደፊረን። እቲ ቑጽሪ እውን ክውስኽ ይኽእል እዩ\" ኢሉ። ህወሓት ነቲ ብሰራዊቱ ተፈጺሙ ዝተባህለ ጾታዊ ዓመጽ ብዝርዝር እኳ እንተዘይመለሰ ቅድሚ ሕጂ ኣምኒስት ኣብ ዘውጸኦ ሪፖርት ግን ሕቶ ከምዘለዎ ብምግላጽ እቲ ጉዳይ ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረ ከምዘለዎ ሓቲቱ ነይሩ። ወ\/ሮ አስናቁ እተን መጥቃዕቲ ዘጋጠመን ደቀንስትዮ ንስነ አእሙራዊ ጸገማትን ኣካላውን ስነ ልቦናውን ጉድኣት ተቓሊዐን ከምዝረኸበትን ተዛሪባ። ኣብቲ ዳህሳስ ዓመጽ ካብ ዘጋጠመን 147 ደቀንስትዮ እተን 21 ዝኸፍአ ናይ ጥዕና ጸገም ኣጋጢሙወን ንሆስፒታል ከምዝኣተዋ እታ ሓላፊት ሓቢራ። ካብአን እተን 18 ሕክምናዊ ክንክን ተገይሩለን ኣኣብ ኣከባቢአን ናብ ዝርከብ ናይ ጥዕና ትካላት ምክትታል ንኪግበረለን ከምዝተፋነዋ ገሊጻ። ንዝኸፍአ አካላው ጉድኣት ዝተቓልዓ ሕጻናት ዝርከቡወን ሓሙሽተ ደቀንስትዮ ግን ሕጂ እውን ኣብ ባህርዳር ፈለገ ሕይወት ሆስፒታል ኣገልግሎት ሕክምና ይግበረለን ከምዘሎ ወ\/ሮ አስናቁ ንቢቢሲ ሓቢራ። እተን መብዛሕተን ዝተዓመጻ ደቀንስትዮ ብጉጅለ ከምዝተደፍራን ገሊአን ንፊስቱላ ከምዝተቓልዓን እውን ሓቢራ። ካብተን ንፊስቱላ ዝተቓልዓ ኣብ ሰሜን ጎንደር ኣብ ከባቢ ጭና ዝተደፍረት ሕጻን ከምእትርከበን እታ ሓላፊት ኣረዲኣ። \"እኹል ሓበሬታ ኣይረኸብናን እምበር ንዘይተደልየ ጥንስን ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝተቓልዓ ከምዘለዋን ሰሚዕና ኣለና\" ኢላ። ፊስቱላ ብከቢድ ጻዕሪ ሕርሲ፣ ብዓመጽ ብዝግበር ጾታዊ ርክብ፤ ብመርዓ ትሕቲ ዕድመ፡ ኣብ ማእከል ክልተ ኣካላት ሰብነት ውሽጣውን ግዳማውን ክፍሊ ዝፍጠር ቀዳድ እዩ። እተን ግዳይ ፊስቱላ ዝኾና ደቀንስትዮ ሽንተንን ቀልቀለንን ክቆጻጸራ ስለዘይክእላ ንዝተፈላለየ ኣካላውን ስነ ልቦናውን ጉድኣት ይቃልዓ። ኣብ ርእሲኡ እተን መብዛሕተን ጾታዊ ዓመጽ ዘጋጠመን ደቀንስትዮ ገሊአን ኣብ ቅድሚ በዓል ቤተን ደቀንን ኣባላት ስድራ ቤተንን ስለዝተደፍራ ከቢድ ስነ ልቦናዎ ጉድኣት ከምዘጋጠመን የረድኡ። \" እታ ናይ ሸዋ ሮቢት ኣደ፡ ‘ከመይ ኣቢለ ገጽ ውላደይ ክርኢ’ ብምባል እያ ነብሳ ኣጥፊአን” ክትብል ከኣ ከም ኣብነት ኣቕሪባታ። ነተን ግዳያት እንታይ ሕክምናዊ ሓገዝ ይግበረለን ኣሎ? እቲ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮን ቖልዑን ዘጋጥም ከቢድ በሰላ ውግእ እቲ ዝገደደ እቲ ጾታዊ ዓመጽ ዘስዕቦ ስቓይ እዩ። ንግዳያት ግቡእ ደገፍን ሓገዝን ስለዘይግበረለን ከኣ ብዙሓት ደቀንስትዮ ነቲ ዘጋጠመን ግፍዒ ክሳብ ፍጻሜ ህይወተን ኣብ ውሽጠን ሰቲረንኦ ይጓዓዛ። ምስ መረረን ከኣ ነዛ ምድሪ ፈንፊነን ብገዛእ ኢደን ነብሰን ዘሕልፋ ከምዘለዋ ክኢላታት ይሕብሩ። ኣብ ርእሲ እቲ ዘጋጥመን ስነ ልቦናዊ ጸቕጥን ኣደራዕን ንዘይተደልየ ጥንስን ተመሓላለፊ ሕማምን ስለዝቃልዓ ህይወተን ዝበላሾ ከኣ ብዙሓት እየን። ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰንኪ ውግእ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ዜጋታት ሰብኣዊ ረድኤት ካብ ምቕራብ ወጻኢ ጾታዊ ዓመጽ ንዘጋጠመን ደቀንስትዮ ናይ ምድጋፍ እኹል ኣቓልቦ ዝተዋህቦ ኣይመስልን። ወ\/ሮ አስናቁ ብሰንኪ ውግእ ኣብቲ ኣከባቢ ዝነበረ ናይ ጥዕና ትካላት ስለዝዓነወ ነተን ጾታዊ ዓመጽ ዘጋጠመን ደቀንስትዮ ግቡእ ኣገልግሎት ንምሃብ ከምዘይከኣለ ተዛሪባ። ይኹን እምበር እቲ ኣከባቢ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ ምስ ኣተወ ካብተን ዝኸፍአ ናይ ጥዕና ጸገም ኣጋጢሙወን ናብ ትካላት ሕክምና ዝመጽኣ 116 ደቀንስትዮ ነተን 114 ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ መዓልቲ ዝውሰደ ስልጠና ከምዝተዋህበን ሓቢራ። ብተወሳኺ ኣብቲ ኣከባቢ ብዘለው ናይ ስነ ልቦና ኪኢላታት እውን ደገፍ ይግበረለን ከምዘሎ ዝገለጸት እታ ሓላፊት\" ሕጂ እተን ትካላት ጥዕና ስራሕ ንክጅምራ ኣቓልቦ ሂብና ንሰርሕ ኣሎና” ኢላ። ካብተን ጾታዊ ዓመጽ ዘጋጠመን ደቀንስትዮ ንብረተን ዝተዘርፈ እውን ስለዘለዋ ናይ ገንዘብን ዓይነትን ደገፍን ረድኤትን ይወሃባ ከምዘለዋ ወሲኻ ኣረዲኣ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59765795"} {"headline":"ውጻእ-መዓት መጥቃዕቲ ኣሲድ ሰላማዊት፡ \"ሕዚ'ውን ምፍርራሓት ይበጽሐኒ'ሎ\"","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ወረዳ 'ሁለት እጁ እነሴ' ከተማ ቀራንዮ፡ ይሄነው ፈንታ ዝተባህለ ፡ ቅድም ክብል ኣብ ልዕሊ ሰላማዊት መጥቃዕቲ ኣሲድ ዝፈጸመ ውልቀሰብ፡ ናብኣን ናብ ወለዳን መፈራርሒ መልእኽታት ከም ዝሰድድ ትዛረብ። በቲ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ገበነኛ ዝተባህለ እዚ ውልቀሰብ ማእሰርቲ 14 ዓመት፡ ኣዝዩ ውሑድ ከም ዝኾነን ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጽአ ካልእ ጉድኣት ከብጽሓለይ ይኸውን'ዶ ዝብል ስግኣት ከም ዘለዋ'ውን ተረድእ። ሰላማዊት በቲ ናብ ኣካላታ ዝተደፍአ ኣሲድ ክልተ እዝና ክቃጸል እንከሎ፡ ክልቲኡ ምዕጉርቲ ገጻ፣ ክሳዳ፣ ሑቖኣን ሓደ ጡባን'ውን በቲ ኣሲድ ተቓጺሎም ጉድኣት በጺሑዎም እዩ። እቲ ዝዓበየ ጉድኣት ዝበጽሖ ቆርበታ ንምሕካም ድማ መጥባሕቲ ፕላስቲክ ከም ዝተገበረላ ሓቢራ። እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ይሄነው ፈንታ፡ ንሰላማዊት \"የፍቅረኪ'የ\" ብዝብል ንሓሙሽተ ዓመታት ክከታተላ ጸኒሑ። ንሳ ከም እትብሎ እንተኸይኑ መጀመርታ ኣብ ዕዳጋ እዩ ክከታተላ ጀሚሩ። 'እዚ መጥቃዕቲ፡ ናይ መጀመርታኡ ኣይኮነን' መጀመርታ፡ ናብ ቤተ ክርስቲያን ክትከይድ እንከላ ተጸብዩ ሓቢራታ ምስ ዝነበረት መሓዝኣ ከም ዝቀጥቀጠንን ክሳብ ሕክምና ዝበጽሕ ጉድኣት ከም ዘብጽሓለንን ትዛረብ። ይኹን'ምበር፡ ኣብቲ ግዜ ዝበጽሓ ጉድኣት ኣመልኪቱ ናብ ፖሊስ ከተማ ሞጣ ሪፖርት እኳ እንተገበረት ዘዕግብ ምላሽ እንከይረኸበት እቲ ውልቀሰብ'ውን ስጉምቲ ከይተወስዶ ተሪፉ። ብምፍርራሕን ብምህራምን ኣየእኸለን፤ ብ18 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] \"ናብቲ እትሰርሓሉ ፋርማሲ ብምኻድ ብጆክ ዝሓዞ ሳልፈሪክ ኣሲድ ብምድፋእ ቆርበታ ክቃጸልን ስነ ልቦናዊ ስምብራት ክበጽሓን\" ከም ዝገበረ ትዛረብ። ሰላማዊት ኣብ ሞንጎ ዕላላ፡ \"መንነተይ ክጠፍእ'ዩ ደልዩ\" ዝብል ቃል ሰው ተብል። እቲ መጀመርታ ክትህረም እንከላ ዘይበጽሐላ ፖሊስ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ኣሲድ'ውን ነቲ ውልቀሰብ ንምሓዝ ከም ዘይደለየ ሰላማዊትን ሓዋን ብተደጋጋሚ ይዛረቡ። \"እቲ መጥቃዕቲ ምስ ኣብጽሐለይ፡ ኣብቲ ወረዳ ዘለው ፖሊስ ክሕዙዎ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። ድሕሪ ሓደ ወርሒ ካልኦት ሰባት'ዮም ሒዞም ናብ ፖሊስ ኣረኪቦምዎ። እዚ፡ ኣሲድ ዝደፍኣለይ ሰብ ብህይወት ምትራፈይ ስለ ዘጣዐሶ ናብ ቤተሰበይ ስልኪ እናደወለ የፈራርሖም ነይሩ\"። ጓል 24 ዓመት ሰላማዊት ብፋርማሲ ብዲፕሎማ ተመሪቓ ኣብ ከተማ ቀራንዮ ኣብ ዝርከብ ሓደ ፋርማሲ ትሰርሕ ነይራ። \"ኣብ በሪ እቲ ፋርማሲ ኰፍ ኢለ እንከለኹ፡ ኣብ ኢዱ ዝኾነ ነገር ሒዙ ይመጽእ። ኣነ 'ከምዚ ክኸውን እዩ' ኢለ ስለ ዘይሓሰብኩ፡ ካብቲ ኰፍ ዝበልኩሉ ኣይተተሳእኩን። ድሓር ደፊኡለይ\" ክትብል ትዛረብ። ሰላማዊት፡ ሕዚ'ውን ካብቲ ዝበጽሓ መጥቃዕቲ ኣሲድ ኣይሓወየትን። ናብቲ እትነብረሉ ዝነበረት ከተማ ክትምለስ ከም ዘይትደሊ ትገልጽ። ሕዚ፡ መነባብሮኣ ኣብ ባህርዳር ኮይኑ ናብ ኣዲስ ኣበባ እናተመላለሰት ሕክምናዊ ክትትል ትገብር ኣላ። ናይ ሕክምና ወጻኢታታ ድማ ቤተሰባ ሸፊኖምዎ። ሓው ሰላማዊት ኣቶ ኣንተነህ መላው፡ ቤተሰቡ ክሳብ ሕዚ ልዐዕሊ 1.2 ሚሊዮን ብር ንሕክምና ከም ዘውጽአ ይዛረብ። \"ናይ ቀረባን ርሑቕን ቤተሰብ ዘለው ጥሪት ሸይጡ ንሕክምና ኣውዒሉዎ\" ይብል። ብተወሳኺ፡ እቲ ገበነኛ ዝተባህለ ውልቀሰብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ ስልኪ እናደወለ ነቲ ቤተሰብ የፈራርሕ ከም ዘሎ ገሊጹ። \"ኣብ ሞጣ ሓደ ኣኮኣ ኣሎ። ንዕኡ 'ንስኻ ኢኻ ከይምርዓዋ ገይርካ' ብማለት ቅድሚ ምእሳሩ'ውን ይሕነየሉ ነይሩ። ኣብቲ ንሱ ዝነብረሉ ከባቢ'ውን ተራእዩ ነይሩ። ሕዚ'ውን መጥቃዕቲ ክፍጽም ከም ዝኽእል ንሰግእ\" ይብል ኣቶ ኣንተነህ። እቲ ውልቀሰብ፡ ቤተሰቡ ብዝገበሩዎ ጻዕሪ ተታሒዙ ናብ ፖሊስ ከም ዝተወስደ ኣንተነህ ይዛረብ። ኣብዚ ጉዳይ ሓላፊ ክፍሊ መርመራ ገበን ቤት ጽሕፈት ፖሊስ እታ ወረዳ ኢንስፔክተር ብርሃኑ ኣድማሱ፡ ስለ ምንታይ እቲ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ንምውዓል ፖሊስ ዘንጊዑ ክንብል ሓቲትናዮ። \"ክልቲኦም፡ ንነዊሕ ግዜ ብሓባር ከም ዝነበሩ'ዩ ዝፍለጥ። ንሕና'ውን እቲ መጥቃዕቲ ምስ በጽሐ ኢና ሰሚዕናዮ። ድሕሪኡ 'ወይ መሊእኺ ዘወር በሊ' ክብላ እንከሎ 'ኣይደልየካን' ምስ በለቶ'ዩ እቲ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ\" ኢሉ። እታ ግዳይን ስድራቤታን ካብ ዝብሉዎ ወጻእ ብወገን እቲ ገበነኛ ንዝቐርብ ሞገት ሒዞም እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምንእኣስ ብመንጽር ብሕጊ ዝተዋህበካ ሓላፍነት ግቡእ ድዩ? ዝብል ሕቶ'ውን ቀሪብሉ። \"እዚ፡ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ተግባር ልዕሊ ቅትለት እዩ። ንሶም ከም ዝብሉዎ ናብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ኣይመጽኡን። እቲ ውልቀሰብ ኣብታ ከተማ ቀትርን ለይትን ይንቀሳቐስ ነይሩ። ኣብ ቀይዲ ክሳብ ዘይኣተወ ግን ናትና ዕሽሽታ እዩ ክብሃል ኣይክእልን። ግን ድማ ብመልክዑ ኣይንፈልጦን ነይርና። ንሶም ከም ዝብሉዎ ዘይኮነ፡ ምስ ኣካላት ጸጥታ ብምትሕብባር ኢና ሒዝናዮ\" ክብል ተዛሪቡ። ኣተሓባባሪት ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ክልል ኣምሓራ ጉዳይ ሰላማዊት ዝከታተል ዘሎ ማሕበር ሰብ ሞያ ሕጊ ደቂ ኣንስትዮ ዝኾነት ወይዘሮ ሙሉጎጃም ደምስ፡ ከም እትብሎ እቱ ጉዳይ ኣዝዩ ኣሻቓሊ'ዩ። ዓቃቢ ሕጊ፡ መጥቃዕቲ ኣሲድ \"ከቢድ ኣካላዊ መጉዳእቲ\" ብዝብል ክሲ ምምስራቱ ግቡእ ከም ዘይኮነ፡ እዚ ድማ ነቲ ዝተፈጸመ ገበን ዝምጥን መቕጻዕቲ ንከይውሃብ ምኽንያት ከም ዝኾነ እታ በዓልቲ ሞያ ተረድእ። ብመጥቃዕቲ ኣሲድ፡ ህይወት ክሓልፍ ከም ዝኽእል ብምግላጽ ፈተነ ቅትለት ተባሂሉ ክርኣይ ዝግብኦ ጉዳይ ምዃኑ ትገልጽ። \"ፍርዲ ምስ ተዋህበ ክሲ ክመሓየሽ ኣይክእልን። እንተኾነ ንመጻኢ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕታት ብፈተነ ቅትለት ንክርኣዩ ዓቃቢ ሕጊ ሰርኩላር ንከውጽእ ኣብዚ ሰሙን ደብዳበ ጽሒፍና ኣእቲና ኣለና\" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ። ይኹን'ምበር፡ ሰላማዊት ንእተቕርቦ ሕቶ ፍትሃብሄር፡ እቲ ማሕበር ናይ ሕጊ ድጋፍ ይህባ ከም ዘሎን እቲ ውልቀሰብ ዘቕረቦ ናይ ይግባይ ሕቶ ወለንታውያን ሰብ ሞያ ሕጊ እቲ ማሕበር ይከታተሉዎ ምህላዎምን ሓቢራ። \"ጉዳይ ሰላማዊት ፖሊስ ኮነ ዓቃቢ ሕጊ እኹል ትኹረት ኣይሃቡዎን ኢልና ኢና ንኣምን\" ኢላ። ኣብ ቀረባ ዝተፈጸሙ ተመሳሰልቲ መጥቃዕታት እንተወሲድና፡ እቶም መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ኣካላት ዘብጽሑዎ ጉድኣት እናወሰኸ ዝኸይድ መጥቃዕቲ የብጽሑ፤ ግዳያት ድማ እንታይ ክገብሩ ከም ዘዎም ብዘይምፍላጦም ወይ ሰማዒ ኣካል ብዘይምርካቦም ትም ይብሉ። ብ30 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ብፍቕረኝኣ ብሓዊ ተቓጺላ ህይወታ ዝሓለፈ ሰብለ ንጉሴ፡ እቲ ገበነኛ ቅድም ኢሉ'ውን ኣካላዊ መጥቃዕቲ ኣብጺሑላ ምንባሩ ሓዋ ያእቆብ ንጉሴ ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ። ብዙሓት ኣዝዮም ዘሰክፉ መጥቃዕታት ምስ በጽሑ ተመሳሰልቲ ታሪኻት ምስማዕ ክኣ ልሙድ እዩ። በዓልቲ ሞያ ሕጊን ኣብ ማዕርነት ስርዓተ ጾታ እንተሰርሕን ህሊና ብርሃኑ፡ \"እዚኦም፡ ኣሲድ ካብ ምድፋእ ወይ ምቕታል ኣይጅምሩን\" ትብል። እቲ ሕብረተሰብ ክኹንኖም ዘይደሊ ግን ድማ ፍጹም ቕቡልነት ዘይብሎም ሰላምን ድሕነትን ደቂ ኣንስትዮ ዝርብሹ ተግባራት ናብ ከምዚኦም ዝበሉ ዘስካሕክሑ ፍጻመታት ከም ዘምርሑ ትዛረብ። ደቂ ኣንስትዮ ማዕረ እቲ ካልእ ዜጋ ኣብ ሰላምን ኲናት ኣብ ዘለወሉን ግዜ ወጺአን ክኣትዋሉ ንዘይክእላ ሃገር ስለ ምንታይ ግብሪ ይኸፍላ ክትብል'ውን ትሓትት። \"እዚ እንተዘይገይርካ፡ ወዲ ተባዕታይ ጥራይ ንምግልጋል ጠጠው ዝበሉ ትካላት እዮም ዝኾኑ። ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ንዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ዘየገልግል ትካል ክኣ ሃገራዊ ትካል ክብሃል ኣይክእል\" ብማለት ትነቅፍ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/61268147"} {"headline":"ጥዕና ስነ ተዋልዶ፡ ድንግልና እንታይ'ዩ?","content":"ኣብ ዝተፈላለዩ ሕብረተሰባት፡ ንዓቕመ ኣዳምን ሄዋንን ዝበጽሑ መንእሰያት ቅድሚ መርዓ ዝኾነ ዓይነት ጾታዊ ርክብ ከይገብሩን 'ደናግል' ኮይኖም ክጸንሑን ትጽቢት ይግበር። እዚ፡ ነቲ ብድንግልና ዝኣምን ሕብረሰተብ ዓቢይ ቦታ ዝወሃቦ ማሕበረሰባዊ ልምዲ እዩ። ስለ ዝኾነ፡ መርዓት ኣብ መዓልቲ መርዓኣ ምስ ድንግልናኣ ምጽንሓ ንኸረጋግጹ፡ ብደም ዝጠልቀየ ጨርቂ ይጽበዩ፤ ከምኡ እንተዀይኑ ድማ፡ 'ክብራን ንጽህናኣን' ሓልያ ዝጸንሐት 'እምንቲ' ብምባል ክብሪ ይህብዋ ንሳቶም'ውን ደስ ይብሎም። ቤተሰብ እንዳ ጓል ከኣ 'ብጓልና ተሓቢንና' ኢሎም ይጉይሉ፣ ንዓኣን ንስድራኣን ብዝተፈላለዩ ዜማታት የወድሱ፣ በዓል ቤታ 'ሰብኣይ እኮ'ዩ' እናተባህለ ይምጐስ፣ እቲ መረጋገጺ 'ድንግልናኣ' ዝተባህለ ብደም ዝጠልቀየ ጻዕዳ ጨርቂ ክኣ ብላዕ ስተ ክብሃል ንዝጸንሐ ዕዱም እናርኣዩ ይልሃዩ፣ ይጉይሉ። ብኣንጻሩ፡ ጓል ኣንስተይቲ ድንግል ኣይኮነትን እንተ ተባሂሉ ክትሓንኽ፡ ክትንጸል፡ ክብራ ዘይሓለወትን ዘይእምንትን ተባሂላ ዝተፈላለየ ሕማቕ ነገራት'ውን ይወርዳ። ብቓልዕ ዘይርአ ጸቕጢታት'ውን የስዕበላ። እዚ ልምዲ ክሳብ ሕጂ ዝውቱር ኰይኑ፡ \"ድንግልናኣ ንእከለ እያ ሂባቶ፤ ንሱ'ዩ ወሲድዎ እናተባህለ ክሳብ ሕጂ ዝውግዓሉ ጉዳይ እዩ\" ትብል ዶክተር ቤርሳቤህ መካሻ። እዚ ሕቶ ቅድሚ ምምላስና፡ ድንግልና እንታይ ከምዝኾነ ንምፍላጥን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝበሃሉ ቅኑዓትን ግጉያትን ነገራት ከነልዕል። ኣብ ስርዓተ ጾታ፡ ጥዕናን ስነ-ተዋልዶን ግንዛበ ኣብ ምፍጣር እትሰርሕ ዶክተር ቤረሳቤህ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ብጥዕና ስነ-ተዋልዶ ካልኣይ ዲግሪ ትመሃር ኣላ። እዛ በዓልቲ ሞያ፡ ድንግልና ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ሓደ ነገር ከምዘይተፈጸመ ዘርኢ ቃል'ዩ ትብል። ስለዚ፡ መጀመርታ ሓደ ነገር ክንፍጽም እንከለና ድንግልናና ከም ምስኣን ክቝጸር ይኽእል'ዩ፡ ትብል። ናብ ጾታዊ ርክብ ከተምጽኦ እንከላ ድማ፡ ሓደ ሰብ ጾታዊ ርክብ ወይ ወሲብ ፈጺሙ ዘይፈልጥ እንተኾይኑ 'ድንግል' ክብሃል ይኽእል። ጾታዊ ርክብ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ባህሊ ብዝተፈላለየ መገዲ ክግለጽ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ብልምዲ ኣብ ውሽጢ ዝተፈላለዩ ሕብረተሰባት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ቅድሚ ሕጂ ጾታዊ ርክብ ፈጺማ ዶ ኣይፈጸመትን ንምፍላጥ፡ ጫፍ መፍረ ኣካላታ ወይ ድማ ነቲ በሪ ማህጸና ሸፊኑ ዝርከብ ኣካል ምህላውን ዘይምህላውን ብምፍታሽ፡ ኵነታት ድንግልናኣ ከረጋግጹ ይፍትኑ። ድንግል ምዃን፡ ንጓል ይኹን ወዲ ተባዕታይ ቅድሚኡ ልምዲ ጾታዊ ርክብ ዘይምህላዉ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ግን፡ ኣብ መራብሒ ኣካለን ዝርከብ 'ሃይመን' ዝብሃል ረቒቕ ቲሹ ምህላውን ዘይምህላውን እውን እዩ። ብመሰረቱ፡ 'ደቂ ኣንስትዮ፡ ስለምንታይ እየን ነዚ ክፍሊ ኣካል ሒዘን ዝውለዳ?' ዝብል ሕቶ ኣካታዒ መልሲ'ኳ እንተሃለዎ፡ ጓል ኣንስተይቲ ህጻን ክትውለድ እንከላ ኣብ ሞንጎ መሃንቱሳን ርሕሚን ዘሎ ክፍተት ተቐራራቢ ስለ ዝኾነ፡ ዓይነ ምድሪ ናብ ብልዕታ ተመሊሱ ንኸይኣቱ ዝከላኸል ክፍሊ ኣካል እዩ፡ ዝብል ግምት ምህላው እታ በዓልቲ ሞያ ትዛረብ። ዶክተር ቤርሳቤህ፡ እዚ ሰባት ብልምዲ ድንግልና ኢሎም ዝጽውዑዎ ኣካል ርሕሚ ጓል ኣንስተይቲ፡ ብዝተፈላለየ ቅርጺ ክፍጠር ከም ዝኽእል ተረድእ። \"ኣብ ገሊአን ብጣዕሚ ንእሽቶ 'ቲሹ' ክኸውን ይኽእል፤ ገሊአን ከኣ ፈጺሙ ዘይብለን ኰይነን'ውን ክፍጠራ ይኽእላ። ናይ ገሊአን ደቂ ኣንስትዮ ርሕሚ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ በዚ [ሃይመን] ዝተሸፈነ ክኸውን ይኽእል፡\" ትብል። በዚ ምኽንያት፡ እዚ ድንግልና ዝበሃል ኣካል ዘይብለን ዝውለዳ ደቂ ኣንስትዮ፡ ቅድሚ ሕጂ ጾታዊ ርክብ ዘይምፍጻመን ብኣካለን ክረጋገጽ ኣይክእልን'ዩ ማለት እዩ። ይዅን'ምበር ሃይመን ክህሉ እንከሎ፡ ጾታዊ ርክብ ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን ብልዕቲ ወዲ ተባዕታይ ስለ ዝደፍኦ ክደሚ፣ ከሕምመንን ክቕደድን ይኽእል። ሰባት ጾታዊ ርክብ ፈጺሞም ዘይፈልጡ ምዃኖም ክዛረቡ እንከለውን፡ ንመጀመርታ ግዜ ምስ እከለ እየ ገይረዮ ክብሉ እንከለውን፡ ብቋንቋ ስነ ተዋልዶ፡ ፈዋኒ ጾታዊ ርክብ [sexual debut] ጀሚሮም ኣለው ማለት እዩ። በዚ መሰረት፡ ወዲ ተባዕታይ ይዅን ጓል ኣንስተይቲ ናይ መጀመርታ ተመኵሮኦም፣ ብውልቂ ሓሓሊፉ ድማ ብምስጢር ዝሕዝዎ ስለ ዝኾነ ዓብዪ ቦታ ይህብዎ። ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ \"ድንግልናአን ንዝወሰዶ ሰብ ዝተፈለየ ቦታ ኣለወን ዝብሃል ነገር መጽናዕቲ ዘድልዮ ጉዳይ'ኳ እንተኾነ፡ ክሳብ ሕጂ ብዘይንፈልጦ ግን፡ ኣብ መንጎ ድንግልና ዝብሃል ክፍሊ ኣካልን ኣእምሮናን ዝኾነ ዓይነት ርክብ ምህላዩ ዘረጋግጽ መጽናዕቲ ኣይርኣኹን፡\" ኢላ። ወሲኻ፡ \"ስለዚ ብዛዕባ እቲ ድንግልና ዝበሃል ኣካል ከነውግዕ እንከለና ዝወሃብን ዝውሰድን ነገር የለን። ጾታዊ ርክብ ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን ዘጋጥም ተፈጥሮኣዊ ዑደት'ዩ\" ክትብል ዶክተር ቤርሳቤህ ተረድእ። ዶክተር ቤርሳቤህ፡ ኣብዚ ጉዳይ መጀመርታ ክንርድኦ ዝግባእ ነገር፡ \"ሃይመን ዘይብለን ደቂ ኣንስትዮ ክውለዳ ከም ዝኽእላ እዩ፡\" ትብል። ብኻልእ መገዲ ድማ፡ እዚ ረቒቕ ክፍሊ ኣካል ስለ ዝኾነ፡ ገለ ሻብ፡ ጾታዊ ርክብ ክፍጸም እንከሎ ከየደመየት ክሓልፍ ከም ዝኽእል ትገልጽ። እንተኾነ ብስፖርት፡ ዝተፈላለዩ ሓደጋታትን ካልኦት ምንቅስቓሳትን'ውን ክደምን ክቕደድን ከም ዝኽእል ኣብሪሃ። ስለዚ፡ እዚ ዝተፈለየ ቅርጺ ዘለዎን ሓሓሊፉ ድማ ፈጺሙ ክህሉ ዘይክእልን ኮይኑ፣ ዝጠፍአሉ መገዲ'ውን ዝተፈላለየ እዩ። ዝተፈላለዩ መጽናዕታት ከም ዘመላኽትዎ፡ ርሕሚ ደቂ ኣንስትዮ ተሪር ስለ ዝኾነ፡ ንመጀመርታ ግዜ ጾታዊ ርክብ ክፍጽማ እንከለዋ ቃንዛ ይስምዐን። ኣካላተን ብሓድሽ ልምምድ ይሓልፍ ብምህላው'ውን ከም ዝኾነ እታ በዓልቲ ሞያ ትዛረብ። ስለዚ ደቂ ኣንስትዮ ንፈለማ እዋን ጾታዊ ርክብ ክፍጽማ እንከለዋ ዘቐንዝወን፡ እቲ ሃይመን ብብልዕቲ ወዲ ተባዕታይ ክድፋእ እንከሎ ካብ ዝፈጥሮ ቃንዛ ብዝሰገረ፡ ርሕሚ እታ ጓል ኣንስተይቲ ዘይምፍትሕትሑ እዩ። \"ገሊኡ ሃይመን ነቲ ርሕሚ ምሉእ ንምሉእ ስለ ዝሽፍኖ፡ ዝኾነ ዓይነት ክፍተት ዘይብሉ ይተርፍ። እዚ ክሳብ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ደም ከይፈሰሰ ምትራፍ ከስዕብ ይኽእል። እዚ ክኸውን እንከሎ ግን ክሳብ መጥባሕቲ ክበጽሕ ይኽእል እዩ\" ትብል ዶክተር ቤርሳቤህ። እዚ ድንግልና ዝብሃል ሃይመን ከይኸደ ወይ ከይተኸፈተ እንከሎ ጥንሲ ከጋጥም ይኽእል'ዶ? ንዝብል ሕቶ ከተብርህ እንከላ፡ \"ገሊኡ ቅርጺ ሃይመን ብልዕቲ ወዲ ተባዕታይ እንከይኣተወ እቲ ፍረ ዘርኢ ኣብ ደገ ፈሲሱ እናሃለወ፡ ናብ ውሽጢ ክኣቱ ከፍቅድ ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት ጥንሲ ክፍጠር ይኽእል፡\" ትብል። ኣብ ኢትዮጵያን ብዙሓት ሃገራት ዓረብ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እዋን መርዓአን ምስ ድንግልናአን ክጸንሓ ትጽቢት ይግበር። እዚ ዓቢይ ቦታ ዝወሃቦ ጉዳይ ስለ ዝኾነ፡ ሰብ ሞያ ሕክምና ነዚ ኣካል መሊሶም ክትክእዎ ይርኣይ። ሳራ፡ ኣብ ኢንተርነት 'ድንግል ድየ?' ዝብል መልእኽቲ በጺሑዋ፤ ነዚ እንታይ ዓይነት መልሲ ክትህበሉ ከም ዘለዋ ግን ርግጸኛ ኣይነበረትን። ንመጀምርታ ግዜ'ዩ ከምዚ ዓይነት ሕቶ በጺሑዋ። ብተወሳኺ፡ Love Matters Arabic ናይ ዝተባህለ ገጽ ፌስቡክ ኣመሓዳሪት እያ። እዚ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብቋንቋ ዓረብ ብዛዕባ ፍቕራዊ ምሕዝነትን ጾታዊ ርክብን ትምህርቲ ዝህብ ገጽ እዩ። እታ መልእኽቲ ዝሰደደት ሰብ፡ \"ቅድም ኢሉ ፍቕራዊ ምሕዝት ከም ዝነበራን ሕጂ ድማ ተሓጽያ ክትምርዖ ምዃናን ብምግላጽ፡ ድንግል ድየ ኢላ ሓቲታ\" ትብል። ኣብዚ፡ ቅሩብ ሓሳባ ገቲኣ . . . ገጻ ድማ እስር ኣቢላ፡ \"እዚ ቃል ብጣዕሚ'የ ዝጸልኦ፤ ድንግል ድየ ኢላ ሓቲታ፤ 'ምኽፋታ\" ክትፈልጥ ሓቲታ፡\" ኢላ። ነዚ ጉዳይ ውጽእ ዝበለ ዝገብሮ፡ እታ ውልቀሰብ ድንግል ምዃና ንምፍላጥ እቲ መረጋገጺ'ዩ ዝብሃል 'ሃይመን' ክትርእየላ ከም እትደሊ እያ ትገልጽ። ምኽንያት ናይዚ፡ ኣብቲ ዝዓበየትሉ ሕብረተሰብ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ቅድሚ ምምርዓዋ እቲ ሃይመን ክህሉ ከም ዘለዎን፡ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ ክፍጽም እንከሎ ደም ክርኢ ከም ዘለዎን ስለ ዝኣምን እዩ። እዚ ድማ፡ [መድመይቲ] ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ቅድሚ እቲ ዝተመርዓወቶ ሰብኣይ ታሪኽ ጾታዊ ርክብ ነይሩዋ'ዶ ዝብል መረጋገጺ ተገይሩ ክውሰድ ጸኒሑን ኣሎን። ውድብ ጥዕና ዓለም ነዚ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል እዩ ክብል ብ2018 ኮኒኑዎ'ዩ። ድንግልና ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ንምርግጋጽ ዝተፈላለዩ መረጋገጺ ፈተናታት ይግበሩ። ካብ ኣካላዊ ምዕቃን ሃይመን ወይ ስፍሓት ርሕሚ ጀሚሩ፡ ክሳብ ኣብ ዕለተ መርዓ ብደም ዝጠልቀየ ኣንሶላ ምጽባይን ንስድራ መርዓትን መርዓውን ምርኣይ ዘሎ ልምድታት ኣሎ። እዚ፡ ብሳይንሳዊ መገዲ ዝተደገፈ ኣይኮነን፤ ጉዳይ ድንግልና ሰባት ዝፈጠርዎ 'ምበር ስነ-ህይወታዊ ሓቂ'ውን ኣይኮነን። እንተዀነ ኣብ ዓለም ሚሊዮናት ነዚ ኣሚኖም ዝቕጽሉ ኣለው፤ ጓል ኣንስተይቲ ዝጸንሓ ታሪኽ ጾታዊ ርክብ፡ ንመጀመርታ ግዜ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም እንከላ ምድማያ ክረጋገጽ እንከሎ'ዩ ኢሎም ዝኣምኑ፡ ኣብ ዓለም ሚልዮናት እዮም። እዚ ግን ባህላዊ ጉዳይ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ሰባት ድንግልናኦም ሒዞም ዘጽንሕዎ ነገር ዘይኮነ ኣብ ህይወቶም ቀልጢፉ ክሓልፍ ዘለዎ ብርኪ ገይሮም እዮም ዝርእዩዎ። ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ከይፈጸምካ ምጽናሕ፡ ውልቃዊ ምርጫ'ኳ እንተኾነ፡ \"እቲ ሕብረተሰብ ግን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘውርዶ ጸቕጢ፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ጾታዊ ርክብ ፈጺማ'ዶ ኣይፈጸመትን ንምፍላጥ መርመራ ይገብር እዩ፡\" ትብል ዶክተር ቤርሳቤህ። እዚ ግን ንመሰል እታ ጓል ኣንስተይቲ ዝዳፋእን ሕቡራት መንግስታት ዝኸልከሎን እዩ። ሓደ ወዲ ተባዕታይ ቅድሚ ሕጂ ጾታዊ ርክብ ፈጺሙ'ዶ ኣይፈጸመን ዝብል ብመርመራ ኮነ ብኻልእ መገዲ ምርግጋጽ ኣይክኣልን። ድንግል ዲኻ? ተባሂሉ'ውን ኣይሕተትን። ስለዚ፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ'ውን እዚ ውልቃዊ ጉዳያ ስለ ዝኾነ፡ ብፍቓዳን ድልየታን እንተዘይተዛሪባ ብዝኾነ መገዲ ከተረጋግጾ ምፍታን ግህሰት መሰል ምዃኑ፡ እታ በዓልቲ ሞያ ትዛረብ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/61240072"} {"headline":"ህንዲ: ብጉጅለ ጾታዊ ዓመጽ ተፈጺሙኒ ኢላ ክትከስስ ዝኸደት ብፖሊስ ከምዝተደፈረት ተገሊጹ","content":"ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ ብጉጅለ ጾታዊ ዓመጽ ተፈጺሙኒ ኢላ ክትከስስ ናብ እንዳ ፖሊስ ንዝመጸት ጓል 13 ዓመት ህጻን ዓሚጹ ዝተባህለ ኣባል ፖሊስ ንምሓዝ ኣለሻ ይካየድ ኣሎ፡፡ እቲ ፖሊስ ክሲ ከምዝተመስረተሉን ካብ ስርሑ እውን ከምዝተኣገደን ሓላፊ እቲ ኣብ ግዝኣት ኡታር ፕራደሽ ዝርከብ ጣብያ ፖሊስ ገሊጹ፡፡ እታ ህጻን ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ብኣርባዕተ ሰብኡት ከምዝተደፈረት እያ እትኸስስ፡፡ እቲ ዜና ምስተሰምዐ: ኣብ መላእ ህንዲ ጓሂ ዝፈጠረ ኮይኑ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ቁጠዐኦም ይገልጹ ኣለዉ፡፡ ወላዲ እታ ህጻን ናብ ፖሊስ ኣብ ዘቕረቦ ክሲ፡ ኣርባዕተ ሰብኡት ንጓሉ ናብ ግዝኣት ማደያ ፕራደሽ ወሲዶም ንኣርባዕተ መዓልቲ ከምዝዓመጽዋ ገሊጹ፡፡ ድሕሪኡ ግን ናብ ከባቢኣ ምስመለስዋ ተሰዊሮም፡፡ ኣብቲ ዝቕጽል መዓልቲ እታ ህጻን ምስ ሓትኖኣ ክሲ ክትምስርት ናብ ጣብያ ፖሊስ ምስከደት ድማ፡ ብሓላፊ ናይቲ ጣብያ ከምዝተደፈረት ኤን-ዲቲ-ቪ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ጸብጺባ፡፡ እቲ ዜና ኣብታ ግዝኣት ብዛዕባ ዘሎ ሕጊ ሕቶታት ክለዓሉ ገይሩ ኣሎ፡፡ ላዕለወይቲ መራሒት ሰልፊ ኮንግረስ ፕሪያንካ ጋንዲ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጠቀዐቶ ጽሑፍ ‘‘ጣብያታት ፖሊስ ንደቂ ኣንስትዮ ውሑሳት እንድሕር ዘይኮይነን፡ ኣበይ ከይደን ዳኣ ይኸሳ?’’ ክትብል ነቒፋ፡፡ ኣብ 2012 ሓንቲ ጎርዞ ኣብ ከተማ ደልሂ፡ ኣብ ውሽጢ ኣውቶቡስ ብጉጅለ ካብ እትዕመጽ ንደሓር ኣብ ህንዲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸሙ ጾታዊ ዓመጻትን ገበናትን ኣዘራረብቲ ኮይኖም ጸኒሖም፡፡ እታ ጎርዞ በቲ ዝተፈጸማ መጥቃዕቲ ንሞት ተቓሊዓ እያ፡፡ ድሕሪ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ኣዘራራቢ ዝነበረ በደል፡ ኣብ ከተማ ደልሂ ዓበይቲ ሰልፊታት ተቓውሞ ዝተኻየዱ ኮይኖም፡ ህንዲ ከቢድ ዝበሃል መቕጽዒ ሕጊ ጾታ ተኮር ገበናት ክተውጽእ ተገዲዳ፡፡ ኣብ 2020 ድማ ነቶም በቲ ገበን ተሓተትቲ ኮይኖም ዝተረኸቡ ኣርባዕተ ሰባት ብሞት ቀጺዓ፡፡ ኮይኑ ግና እቲ ተሪር ሕጊ ነቲ በብዓልመቱ ኣብ ልዕሊ ብኣሻሓት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ ህንዲ ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ ደው ከብሎ ኣይከኣለን፡፡ ኣብ 2020 ኣብታ ሃገር 28,379 ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ዝተፈጸመን ኮይኑ፡ እቲ ኣሃዝ ብማእከላይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 18 ደቓይቕ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ከምእትዕመጽ ዘመልክት እዩ፡፡ እንተኾነ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ እንትፍጸመን ስለዘየመልክታ እቲ ቑጽሪ ኣዝዩ ዝለዓለ ክኸውን ከምዝኸእል ተሓለቕቲ ይሕብሩ፡፡","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61323627"} {"headline":"ኣብ ናይጄሪያ፡ ምስ መራሒ ሃይማኖት ዝተጓየቖ ውልቀሰብ ብዕስለ ብሓዊ ተቓጺሉ ሞይቱ","content":"ኣብ ኣቡጃ፡ ሓደ ምስ መራሒ ሃይማኖት እስልምና ጎይቂ ዝነበሮ ውልቀሰብ፡ ብደገፍቲ እቲ መራሒ ሃይማኖት ዝዀኑ ዕስለ ብሓዊ ተቓጺሉ ከም ዝሞተ ፖሊስ ናይጄሪያ ገሊጾም። እዚ ወዲ 30 ዓመት መሓመድ ዑስማን፡ ኣባል ጉጅለ ቀፊር እቲ ከባቢ ኰይኑ፡ ኣስታት 200 ሰባት ኣንጻሩ ከም ዝተልዓሉ ፖሊስ ሓቢሩ። እቲ ጎይቂ እንታይ’ዩ ነይሩ ዝብል ግን ዝርዝር ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን። እቲ ውልቀሰብ ግን “ኣባል ኣብ ከባቢ ሉግበ ዝንቀሳቐስ ናይ ሓለዋ ጉጅለ” ምዃኑ ሓበሬታ ፖሊስ የመልክት። ፖሊስ፡ ዝበዝሐ ኣካላት እቲ ግዳይ ብሓዊ ነዲዱ ምስ ረኸቡዎ ናብ ሆስፒታል’ኳ እንተወሰዱዎ ብህይወት ክተርፍ ኣይክኣለን። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ከተማ ሶኮቶ ሓንቲ ብምርኻስ ዝተኸሰሰት ክርስቲያን ተመሃሪት ብእስላም ተመሃሮ ተቐጥቂጣ ብሓዊ ተቓጺላ’ያ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ናይጄሪያ፡ ናይ ዕስለ ናዕብታት ይውስኹ ኣለው። ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ኣብ ሞንጎ ወነንቲ ሞተር ብሽክለነታን ነጋዶን ብዝተላዕለ ጎንጺ ኣስታት ሓሙሽተ ሰባት ሞይቶም’ዮም። ቅድሚ ሒደት መዓልታት’ውን፡ ብምኽንያት ዕስለ ብዝተላዕለ ናዕቢ ኣብ ሌጎስ ሓደ ወዲ 38 ዓመት ኢንጅነር ሞይቱ። ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ እቶም ብተደጋጋሚ ዝፍጸሙ ናዕብታት ዕስለ ሱር ዝሰደደ ጥፍኣተኝነት ተሰማዕነት ዘይምርካቡን ኣብ ስርዓት ፍትሒ ገበን እታ ሃገር እምነት ካብ ምስኣንን ዝነቅል እዩ ይብሉ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ckrv5pmpe49o"} {"headline":"ኮምቦልቻ፡ \"ኣብ ቅድሚ ጓለይ ተዓሚጸ\"","content":"ማእከል ኢንዱስትሪ ዝኾነት ከተማ ኮምቦልቻ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ትግራይን ኲናት ካብ ዝካየደላ ክልተ ወርሒ ሓሊፉ ኣሎ፡፡ ኣብታ ከተማ ህይወት ናብ ንቡር ዝተመለሰ ይመስል፤ ኮይኑ ግና እቲ ኲናት ገዲፍዎ ዝሓለፈ በሰላ ሎሚ እውን ትኩስ እዩ ዘሎ፡፡ [ኣብዚ ዛንታ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝተፈጸመን ናይ ዝገለጻ ደቂ ኣንስትዮ ሓቀኛ ስም ተቐዪሩ ኣሎ] \"ኣብ ቅድሚ ጓለይ ተዓሚጸ\" እትብል ፋቲማ ኣሕመድ እቲ ኩነታት ከቢድ በሰላ ካብ ዝገደፈሎም ሰባት ሓንቲ እያ፡፡ ንሳ፡ ኣብ ጥቓ እታ ዝተወለደትላ ከተማ ሃይቅ ኲናት ይካየድ ከም ዘሎ ክትሰምዕ እንከላ ሓይልታት ትግራይ ናብታ ከተማ ከም ዘይኣትዉ ርግጸኛ ነይራ፡፡ ኣብቲ እዋን ዝነበራ ትልሚ መነባብሮኣ ንምምሕያሽ ስራሕ ምጅማር እዩ፡፡ ብምኽንያት ሞት ኣቦኣ ትምህርቲ ካብ ሻብዓይ ከፍሊ ኣይቀጸለትን፡፡ ንባዕላን ኣዲኣን ንምሕጋዝ ኣብ ከተማ ሃይቅ ስራሕ ኣሊሻ፤ ኣይኮነላን፡፡ ድሕሪኡ ግና ብደለልቲ ኣቢላ ኣብ ከተማ ኮምቦልቻ ስራሕ ረኺባ፤ ኣብ ሓደ ማእከላይ ሆትል መሳሰዪት ኮይና ስራሕ ጀሚራ፡፡ ድሕሪ ሰሙን ሃይቅ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ኣትያ፡፡ ብተመሰሳሊ ድሕሪ ቁሩብ እዋን ኮምልቻ እውን ተቆጻጺሮምዋ፡፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ኮምቦልቻ ምስ በጽሑ ካብ ዝኣተዉዎም ሆቴላት ሓደ እቲ ፋቲማ እትሰርሐሉ ከም ዝኾነ ትዛረብ፡፡ ኣብቲ እዋን ዝሓተትዎ መግቢ ኣቕሪባትሎም ወጺኦም ከይዶም፡፡ እዚ ንፋቲማን ንካልኦት ሰለስተ መሳርሕታን ሩፍታ ዝህብ ነበረ፡፡ ዝኾነ ዓይነት ምትንዃልን መጥቃዕትን ስለ ዘይፈጸሙለን ተሓጒሰን፡፡ እዚ ታሕጓሰን ግና ንሓደ ለይቲ እዩ ነይሩ፡፡ ''ብጽባሒትኡ ለይቲ በሪ ዓጺና ምስ ደቀስና በሪ ክፈታ ኢሎምና'' ብምባል እቲ ኣብ ህይወተይ ዘይርሰዖ እትብሎ በሰላ ከመይ ከም ዝጀመረ ትገልጽ፡፡ ኣይንኸፍትን ብምባለን ግን ነቲ በሪ ሰይሮምዎ ከም ዝኣተዉ ትዛረብ፡፡ ''ምስ ኣተዉ ንምንታይ ዘይከፈትክንኦ ኢሎም ንኹላትና ብጽፍዒትን ብርግሒትን ሃሪሞምና። ኩሎም ብረት ሒዞም ነይሮም፤ ዝተወሰኑ ጽዕድው ዝበለ ድቢዛ ተኸዲኖም ነይሮም፤ ሐዚ ንዕኡ ዝመስል ናይ ወተሃደር ክዳን ብዝረኣኹ ንሳቶም እናመሰሉኒ ይስንብድ'የ'' ትብል፡፡ እቶም፡ በሪ ናይቲ ሆቴል ሰይሮም ዝኣተዉ ወተሃደራት ሸሞንተ ነይሮም ትብል። ክልቲኦም ብጠበንጃ ኣፈራሪሖም ናብ ሓደ ክፍሊ ከም ዝወሰድዋ እትገልጽ ፋቲማ ''ቅተሉኒ እምበር ኣይከይድን ምስ በልኩዎም ብጽፍዒትን ርግሒትን ወቒዖም እናጎተቱ ናብ ዓራት ወሲዶምኒ '' ብምባል ነቲ ኩነታት ትዝክር፡፡ ''ናብ መደቀሲ ክፍሊ ምስ ኣእተዉኒ እናተባረዩ ከም ድላዮም ገይሮምኒ'' ብምባል ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝተፈጸማ ንቢቢሲ ኣምሓርኛ ተዛሪባ፡፡ ኣብቲ እዋን እተን ካልኦት ኣዕርኽታ እንታይ ከም ዝበጸሐን ኣይትፈልጥን ነይራ፡፡ ብጽባሒትኡ ምስ መሓዙታ ምስ ተራኸበት ዘጋጠማ ኣይነገረተንን ነይራ፡፡ ጸኒሓ ብዛዕባ ዘጋጠማ ጾታዊ ዓመጽ ምስነገረተን ግን እተን ካልኦት ሰለስተ መሓዙታ እውን ተመሳሳሊ በደል ከም ዘጋጠመን ነጊረናኣ፡፡ ሓይልታት ትግራይ ኮምቦልቻ ኣብ ዝተቖጻጸሩሉ እዋን መብራህትን ስልክት ኣይነበረን፡፡ ኣብቲ ዝቕጽል መዓልቲ ፋቲማን መሓዙታን ዝኸዳሉ ካልእ ቦታ ስለ ዘይነበረን ነቲ ዝተሰበረ በሪ ጸጋጊነን ኣብቲ ዝሰርሓሉ ሆቴል ከም ዝደቀሳ ትዛረብ፡፡ እቲ በሪ ደጊሙ ተንኳኽኲሑ፤ ተመሳሰልቲ ሰባት እዮም፤ እኒ ፋቲማ ግን ኣይንኸፍትን ከም ዝበላን ደርጒሖም ከም ዝኣተዉን ትገልጽ፡፡ ክምሕሩወን ከም ዝለመነኦም እትዛረብ ፋቲማ እንተኾነ ''ካብቲ ናይ ትማሊ ዝገደደ ኣጋጢሙና'' ትብል፡፡ ካብዚ ንላዕሊ ኣብቲ ቦታ ምጽናሕ ዝገደደ ሓደጋ ከም ዘስዕበለን ስለ ዝፈለጣ ድማ ናብ ቤተሰበን ንምኻድ ወሲነን፡፡ ፋቲማ ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልቲ ናይ እግሪ ጉዕዞ ኣብ ሃይቅ ናብ ዝርከብ ናይ ኣዲኣ ገዛ ከም ዝኣተወት ትዝክር፡፡ ኮይኑ ግና ኣዲኣን ኣሕዋታን ኣብ ገዛ ኣይረኸበቶምን፤ ካልእ ጭንቀት ኮና፡፡ ጎረባብቲ ናብ ገጠር ሃዲሞም ከም ዝኸዱ ነጊሮምዋ፡፡ ንሳውን ናብቲ ዝተባህለ ገጠር ከይዳ። ቢቢሲ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ካብ ሓይልታት ትግራይ መልሲ ንምርካብ ፈቲኑ ምላሽ ኣይረኸበን፡፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሞም ንዘብል ክሲ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ግና ሰራዊቶም ስነ ምግባር ዘለዎም ከም ዝኾኑን ንዝቐርበሎም ክስታት ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረን ሓቲቶም ነይሮም፡፡ ዘምዘም ሓይልታት ትግራይ ወልድያ ሓሊፎም ናብ ከተማ ደሴ ኣብ ዝግስግሱሉ፡ ኣብ ኮንስትራክሽን ምስ ዝሰርሕ ሰብኣያ ደሴ እንተይበጸሕካ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ትነብር ነይራ፡፡ ናብታ ከተማ ምስ ኣተዉ ክልተ ዕጡቓት ኣብ ቅድሚ በዓል ቤታን ውላዳን ከም ዝሃረሙዋ ትገልጽ፡፡ በዓል ቤታ ከገላግል እንተፍትን ብጥይት ተወቒዑ ሞይቱ፡፡ በቲ ዝተፈጸማ መውቃዕቲ ትሸዓተ ኣስናና ከም ዝሰኣነት እትገልጽ ዘምዘም፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸማን ኣብ እግራ እውን ከቢድ ጉድኣት ከም ዝበጸሓን ንቢቢሲ ተዛሪባ፡፡ ''ናብ ገዛ ክኣቱ ሓቲቶምኒ፤ ኣትየ፡፡ ነቲ ገዛ ዓጽዮምዎ፡፡ እቲ ሓደ ስነይ ምስ ወቐዐኒ ሽዑ ንሽዑ ረጊፉ፡፡ በቲ ሓደ ገጽ ደጊሙ ወቒዑኒ፤ ንሱ እውን ረጊፋ፡፡ ኣፈይ ደም ተመሊኡ፡፡ ክደፍረኒ እንተፍትን ተቓሊሰዮ፤ ብሽቶል ኢደይ ወጊኡኒ፡፡ ድሕሪኡ ክዳነይ ቀዳዲዱ ደፊሩኒ'' ትብል፡፡ ዘምዘም እቲ ዝተፈጸማ ጾታዊ ዓመጽ ክትዝክሮ ዝገደደ ከም ዘሕምማ ትዛረብ፡፡ ''ዝተዓመጽኩ ምዃነይ የሕመኒ፤ ኣብ ቅድሚ ጓለይ ምዃኑ ድማ ብፍጹም ከይርሰዖ ይገብረኒ'' እትብል ድማ ጓል 25 ዓመት ሜላት ኣበራ እያ፡፡ ሜላት እውን ከም ፋቲማ ናብ ኮምቦልቻ መጺኣ ኣብ ስራሕቲ ምትእንጋድ ዝተዋፈረት እያ፡፡ ኩልሻብ ካብ እገራ ዘይትፍለ ኮተተ ጓላ ኣላታ፡፡ ሜላትን ፋቲማን ኣብ ሓደ ሆቴል እየን ዝሰርሓ፡፡ ሓደ መዓልቲ ናብቲ እተሰርሐሉ ሆቴል ገለ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ መጺኦም፡ ቢራ ምስታይ ጀሚሮም ትብል፡፡ ቢራ ምስ ተወደአ ሓቢራቶም ክትከይድ ከምዝነገሩዋ እትገልጽ ሜላት ''እምቢ ምስበልኩ እቲ ሓደ ብረት ዓሚሩ ክቐትለኪ እየ ኢሉኒ'' ትብል፡፡ ''ንጓለይ ክብል ብህይወት ክጸንሕ ከም ዘለኒ ወሲነ፡ ድላዮም ገይሮምኒ'' ብምባል ነቲ ዘጋጠማ ስቅያት ትዝክር፡፡ ንሳ ኣብቲ ጓላ ዝደቀሰትሉ ዓራት ከም ዝዓመጸት እያ እትገልጽ፡፡ ''ክልቲኦም እናተባረዩ እንተሳቕዩኒ በኽየ፤ሽዑ ጓለይ ተሲኣ'' እትብል ሜላት ''ሸዑ ብጉጅለ እንትደፍሩኒ ጓለይ ርእያዶ ትኸውን ዝብል'' ዕረፍቲ ከምዝኸላኣ ንቢቢሲ ተዛሪባ፡፡ ኮይኑ ግና ''ርእያትኒ እንተትኾን ዛጊት ምሓተተትኒ ነይራ'' ኢላ ትጸናናዕ፡፡ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንከተማ ኮምቦልቻ ተቖጻጺሩ፡፡ ሲስተር ዲያና ከም ሜላትን ፋቲማን ንዝበላ ጉድኣት ዝበጸሐን ደቂ ኣንስትዮ ስነ ልቦናዊ ሓገዝ ክህቡ ኣብ ኮምቦልቻ ካብ ዝተመደቡ ክሊኒካል ሳይኮሎጂስታት ሓንቲ እያ፡፡ ንሳ ኣብ ከተማ ኮምቦልቻ 35 ደቂ ኣንስትዮ ብሓይልታት ትግራይ ከም ዝተደፈራ ትገልጽ፡፡ ኣብ ቅድሚ በዓል ቤተን ዝተደፈራ፣ ህጸናትን ጎራዙን ካብተን ናብ ሕክምና ዝመጻ ከም ዝኾና ዲያና ትዛረብ፡፡ ጾታዊ ዓመጽ ዝተፈጸማ ጓል 16 ዓመት ጎርዞ ከምዝረኸበት እትገልጽ ዲያና፡ ከይግለላ ፈሪሐን ሪፖርት ዘይገበራ ክህልዋ ከም ዝኽእላ ትግምት፡፡ ፋቲማን ሜላትን ኣገልግሎት ሕክምና ዝረኸባ ኮይነን፡ ካብ ጥንሲ፣ ኤችኣይቪን ብጾታዊ ርክብ ዝሓላለፉ ሕማማትን ነጻ እየን፡፡ ብተመሳሳሊ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝዋግኡ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ኣብ ክልል ትግራይ ጾታዊ ዓመጽን ቅትለትን ዝርከቡዎም ሰፋሕቲ ገበናት ከም ዝፈጸሙ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ እዩ፡፡","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60871258"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ 165 ረድኤት ዝፀዓና መኻይን ናብ ትግራይ ተላኢኸን ተባሂሉ","content":"ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ጨንፈር ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን 165 ረድኤት ዝፀዓና መኻይን ናብ ትግራይ ከምዝኣተዋ ብመገዲ ትዊተር ገሊፁ። በዚ መሰረት፡ ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ቶን እኽልን ሃነፅቲ ምግብን ዝፀዓና መኻይን ፕሮግራም ምግቢ ዓለም፡ ናብ ትግራይ ኣትየን ኢሉ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ 2020 ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት፡ ኣብታ ኣብ ምሉእ ዕፅዋ ትርከብ ትግራይ፡ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም፡ 6.3 ሚልዮን ካብ ህዝቢ ትግራይ ድማ ህፁፅ ረድኤት ክፅበ ተገዲዱ ይርከብ። ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ጨንፈር ኢትዮጵያ፡ ሰለስተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ቶን ናብ መከፋፈሊ ነቝጣታት ከምዝተላእኸን ን 120 ሽሕ ሰባት ከም ዝተኸፋፈለን ሓቢሩ። ካልኦት 94 ረድኤት ዝፀዓና መኻይን ድማ ናብ ትግራይ ንምብፃሕ ኣብ መገዲ ከምዘለዋ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ሓቢሩ። ትካላት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ ምግቢ ንዘድልዮም ሰባት ንምብፃሕ መዓልታዊ 100 መኻይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ከም ዝግባእ ምፍላጦም ይዝከር። እንተዀነ ናብታ ኣብ ምሉእ ዕፅዋ ትርከብ ትግራይ ዘድሊ ረድኤት ከየብፅሑ ሰብመዚ መንግስቲ ፈደራል ምትእጉጓል ይፈጥሩ ከምዘለዉ ክገልፁ ፀኒሖም እዮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ነዚ ኣይቕበሎን። ሓላፊት ዓለምለኻዊ ትካል ልምዓት ኣሜሪካ (USAID) ሳማንታ ፓወር ኣብዚ ቅንያት ኣብ ዝሃበቶ መግለፂ፡ ናብ ትግራይ ረድኤት ንምልኣኽ፡ መኻዚኖታት ምሉኣት ከምዘለዉን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ሓገዝ ከእትዉ ክፈቕደሎምን ፀዊዓ እያ። ኣብ መንጐ መንግስቲ ፈደራልን መራሕቲ ትግራይን ምቁራፅ ተፃብኦ ካብ ዝግበር ኣትሒዙ 194 ረድኤት ዝፀዓና መኻይን ናብ ትግራይ ከምዝኣተዋ ዝገለፀት ሳማንታ ፓወር፡ እዚ ግን እዅል ከምዘይኮነን ኣብ ሰሙን ልዕሊ 500 መኻይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ከምዝግባእን 'ያ ትገልፅ። ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍታሕን ናብ ትግራይ ረድኤት ንምልኣኽን \"ንዘይተወሰነ\" እዋን ዝፀንሕ ምቍራፅ ተፃብኦታት ኣዊጆም እዮም። ቤት ፅሕፈት ኣገልግሎት ኮምዩኒኬሽን ኢትዮጵያ፡ \"እቲ ምቁራፅ ተፃብኦታት ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሰብኣዊ ኵነታት ኣዝዩ ከም ዘመሓይሾን፡ ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ብዘይ ተወሳኺ ምፍሳስ ደም ንምፍታሕ መንገዲ ዘጣጥሕ\" ክኸውን ከምዝኽእል ገሊፁ ነይሩ። መራሕቲ ትግራይ'ውን ነቲ ምቁራፅ ተፃብኦ ስዒቡ ናብ ትግራይ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረድኤት ክኣቱ ኣተስፍዮም ነይሮም። ናብ ትግራይ ብመካይን ዝለኣኽ ረድኤት ንኣዋርሕ ተቋሪጹ ድሕሪ ምፅንሑ፡ ድሕሪ እቲ ብኽልቲኦም ወገናት ዝተኣወጀ ምውጋድ ተፃብኦ፡ ዳግም ምጅማሩ ተስፋታት ፈጢሩ'ኳ እንተፀንሐ፡ ክንዲ እቲ ትፅቢት ዝግበር ግን ረድኤት ክኣቱ ኣይከኣለን። ነዚ ስዒቡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ትግራይ ረድኤት ክኣቱ ብዝብል፡ ካብቶም ኣብ ክልል ዓፋር ሒዞሞም ዝነበሩ ወረዳታት ምሉእ ብምሉእ ከምዘንሰሓቡ ኣፍሊጦም እዮም። ሰብመዚ ትግራይ ንነዊሕ እዋን ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ስለዘይኣተወ መዓልታዊ 300 ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና መካይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ከምዝግባእ እዮም ዝገልፁ። ኣተሓባባሪ ህፁፅ ሰብኣዊ ረድኤት ትግራይ ዶክተር ኣትንኩት መዝገቦ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ \"ኣብ 2021 ሽዱሽተ ዙር ሓገዝ ናብ ትግራይ ክኣቱ ተሓሲቡ ነይሩ፣ ኣብ ሓደ ዙር ከኣ 107 ሽሕ ሜትሪክ ቶን። ብተግባር ግን ካብ ሓምለ ጀሚሩ 7 ሚኢታዊት ጥራሕ ኣትዩ። ስለዚ መዓልታዊ 300 መካይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ምስ ገበርቲ ሰናይ ተሰማሚዕና ኢና\" ይብል። ፕረዚደንት ትግራይ ዶ\/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝፀሓፎ ህፁፅ ደብዳበ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ከበባ ብቕልጡፍ ክፈትሖ እንተዘይክኢሉ ኣድላዪ ዝበሃል ስጕምቲ ከምዝወስድ ገሊፁ ነይሩ። እቲ ስጕምቲ እንታይ ምዃኑ ግን ኣብቲ ደብዳበ ኣይተገልፀን። ኣብዚ ሰሙን እዚ ከኣ ላዕለዎት መራሕቲ ትግራይ ምስ ነበርቲ ኣብ ዝገብርዎ ዘለው ፅዑቕ ርክብ፡ ኣብ ሓደ ኣኼባ ዶ\/ር ደብረጽዮን፡ \"ንሕና ከምዚ ኢልና ክንቅፅል ኣይንኽእልን ኢና። ድሕሪ ሰሜን ሸዋ ምእንቲ ሰላም ኢልና ዕድል ሂብና ኢና። ቅድሚ ውግእን ድሕሪ ውግእን ንሰላም ብዙሕ ዕድል ሂብና ኢና። ይዅን እምበር ሕዚ ከምዚ ኢልና ክንቅፅል ኣይንኽእልን ኢና። ኵሉ ነገር ብፖለቲካ ጥራሕ ኣይፍታሕን እዩ\" ምባሉ ተሓቢሩ። ኣብቲ ንልዕሊ 18 ኣዋርሕ ዝቐፀለ ኲናት ኣሽሓት ሰባት ከምዝሞቱ፣ ሚልዮናት ከምዝተፈናቐሉን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ግዳይ ፆታዊ መጥቃዕቲ ከምዝኾናን ዝተፈላለዩ ፀብፃባት የመልክቱ። ነቲ ኲናት ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ ክካየድ ዝፀንሐ ፃዕርታት ክሳብ ሎሚ ጭቡጥ ውፅኢት ኣየምፅአን።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/61416581"} {"headline":"ኣመሪካዊት ዳኛ: ክሲ ጾታዊ ዓመፅ ክሪስቲያኖ ሮናልዶ ዓጽያ","content":"ኣመሪካዊት ዳኛ፡ ክሪስቲያኖ ሮናልዶ ዝቐረበሉ ገበን ጾታዊ ዓመጽ ‘እኹል መረዳእታ ኣይቀረበሉን’ ብዝብል ውድቂ ገይራቶ። እታ ዳኛ፡ ጠበቓ እታ ከሳሲት ዝተሰርቁን ሸሊኾም ዝወጽኡን ዝበሎም መረዳእታት ጥራይ እዩ ሒዙ ቀሪቡ ኢላ። ካትሪን ማዮርጋ ኣብ 2009፡ ክሪስቲያኖ ሮናልዶ፡ ኣብ ሓደ ኣብ ላስ ቬጋስ ዝርከብ ሆቴል ዓሚጹኒ ኢላ እያ ከሲሳ። ብኸምዚ ዓይነት ገበን ክሲ ቀሪብዎ ዘይፈልጥ እቲ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ፡ ነዚ ክሲ ነጺግዎ ኣሎ። እታ ከሳሲት፡ ኣብ 2010 ብዘይ ኣፍልጦ ቤት ፍርዲ ነቲ ክሲ ንክተቋርጽ፡ 375 ሺሕ ዶላር ተቐቢላ እያ ዝብሉ ጸብጻባት ወጺኦም ነይሮም። ማዮርጋ፡ ዋላ’ኳ ኣብቲ እዋን እቲ ገንዘብ ንምቕባል ተስማሚዓ ምንባራ እንተገለጸት፡ ብዝበጽሓ ናይ ኣእምሮ ጭንቀት ምኽንያት፡ ኣብቲ ከይዲ ከምዘይተሳተፈት ትዛረብ። እቲ ገንዘብ ንክትቅበል ዓብይ ፀቕጢ ይግበረላ ከምዝነበረ ድማ ተዛሪባ። ኣመሪካዊት ዳኛ ጄኔፌር ዶርዚ ግን፡ ጠበቓ’ታ ከሳሲት፡  መዝገብ እቲ ክሲ ዝኸፈተ፡ ብግቡእ መገዲ ዘይተኣከቡ መረዳእታት ኣኻኺቡ እዩ ኢላ። እታ ዳኛ ወሲኻ፡ ናይታ ከሳሲት ጠበቓ ብዝተሰርቁን ሕጋዊ ብዘይዀነ መገዲ ዝተረኽቡ መረዳእታታትን ሒዙ ንተኸሳሲ ንሓደጋ ኣቃሊዑ ኢላ። እቲ 42 ገፅ ዝሓዘ ነቲ ክሲ ክዕጾ ምውሳኑ ዝገልጽ ደብዳበ ዝጸሓፈት ዳኛ፡ ጠበቓ እታ ከሳሲት፡ ሌዝሊ ስቶቫል ፡ \"ከይዲ እቲ ክሲ ግቡእ ብዘይዀነ መገዲ ክምራሕ ብምግባር እታ ከሳሲት ግቡእ ፍርዲ ከይትረክብ ገይሩ\" ክትብል ወቒሳ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካልእ ዳኛ፡ እቲ ጠበቓ ‘ስርዓት ኣየኽብርን’ ኢሉ ብምውቃስ እቲ ክሲ ውድቂ ክኸውን ሓቲቱ ነይሩ እዩ። ቢቢሲ ነቲ ጠበቓ ንምዝራብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን። ኣብ 2019 ዓቀብቲ ሕጊ ኣሪካ፡ \"እቲ ክሲ እኹል መረዳእታ ክቕርበሉ ስለዘይከኣለ ክሪስቲያኖ ሮናልዶ ክኽሰስ የብሉን” ዝብል ድምጺ ኣስሚዖም ነይሮም። ማዮርጋ፡ እቲ ተጻዋታይ ዓሚፁኒ እንተበለት’ኳ፡ መዓስን ኣበይን መን'ከ እዩ ንሱ -ንዝብሉ ሕቶታት ክተርድእ ኣይከኣለትን ይብል ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ግዝኣት ላስቬጋስ። እንተዀነ፡ ብሕቶ እታ ከሳሲት፡ እቲ ክሲ መሊሱ ኣብ 2018 መርመራ ክግበረሉ ተገይሩ። ሓደ ጋዜጣ ጀርመን፡ ክሪስቲያኖ ሮናልዶ ንማዮርጋ ካብ ቤት ፍርዲ ወጻኢ ገንዘብ ክኸፍል ተስማሚዑ ዝብል ጸብጻብ ሒዙ ዝወጽአ ኣብ 2107 ነይሩ። ጠበቓ ማዮርጋ እቲ መዝገብ ከም ብሓድሽ ክኽፈት ዝደለየት ብጎስጓስ #MeToo ተለዓዒላ ከምዝኾነት እዩ ዝዛረብ። ሮናልዶ ኣብ 2009 ኣብ ላስ ቬጋስ ምስ ማዮርጋ ከምዝተራኸበ ኣይከሓደን። እንተዀነ፡ ኣብ መንጎኦም ዝተፈጥረ ነገር ኣብ ምፍቕቓድ ዝተመስረተ ከምዝዀነ እዩ ዝዛረብ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c80jezxwk1go"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈፀሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝምርምሩ ኣባላት ተመሪጾም","content":"ባይቶ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ንዝተፈፀሙ ገበናት ኵናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ዝምርምር ኮምሽን ኣባላት ሸይሙ። ቅድሚ ሕዚ ኣኽባሪት ሕጊ ቤት ፍርዲ ገበኛታት ኵናት ዝነበረት ፋቱ ቡንዴሳ፡ ነቲ ዳግማይ ምርመራ ከካይድ ዝተጣየሸ ሓድሽ ኮምሽን ኣደመንበር ኮይና ክትመርሖ ተመዚዛ። ባይቶ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ጋምቢያዊት ፋቱ ቡንዴሳ ነቲ ሓድሽ ኮምሽን ምርመራ ከምትመርሖ ኣፍሊጡ። ካብ ፋቱ ቡንዴሳ ብተወሳኺ፡ ኬንያዊት ጠበቓን ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰልን ካሪ ቤቲ ሙሩንጊን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሚቺጋን ክፍሊ ትምህርቲ ሕጊ ፕሮፌሰር ዝኾነ ኣሜሪካዊ ስቲቨን ራትነር፡ ኣብቲ ኵናት ተፈፂሞም ንዝተብሃሉ ገበናት ዝምርምሩ ኣባላት ኮምሽን ኮይኖም ተሸይሞም። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ እዩ ነቲ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ስዒቡ ዝተፈፀሙ ግህሰታት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ መሰል፣ ክስታት ፆታዊ ዓመፅ፣ ሕግታት ስደተኛታትን ካልኦት ግህሰታትን ዳግማይ ምሉእን ዘይሻራውን ምርመራ ዘካይድ ናይ ምርምራ ጉጅለ ኣጣይሹ። ኣብቲ ኵናት ዝተሳተፉ ብሓይልታት ፀጥታ ክልላት ኢትዮጵያ ዝድገፍ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ትግራይን፡ ጃምላዊ ቅትለትን ፆታዊ ዓመፅን ዝርከቦ ከቢድ ምግሃስ መሰላት ፈፂሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ። ቅድም ክብል ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብሓባር ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ተዛሚዱ ዝተፈፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ዝምልከት ዘካየድዎ ምርመራ ወግዓዊ ጌሮም ኔሮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንውፅኢት እቲ ምርመራ ብእወንታ ዝተቐበሎ ኮይኑ፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብቲ ምርመራ ክሳተፍ ከምዘይብሉ ክገልፁ ዝፀንሑ መራሕቲ ትግራይ ግና ነፂጎምዎ እዮም። ነዚ ስዒቡ ድማ እቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ጀነቫ ዝመደበሩ ባይቶ፡ ኣብቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዘቑፀረ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ንዝተፈፀሙ ግህሰታት ዝምርምር ሓድሽ ዓለምለኻዊ ኮምሽን ክጣየሽ ወሲኑ። ብመሰረት እዚ ተጣይሹ ዘሎ ሓድሽ ኮምሽን፡ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ተዛሚዱ ዝተፈፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ዳግማይ ክፃረዩ እዮም። ኣብቲ እዋን በቲ ተፈፂሙ ዝብሃል ከቢድ ምግሃስ መሰላት ዝኽሰሳ ኢትዮጵያን ኣባል ናይቲ ቤት ምኸሪ ዝኾነት ኤርትራን ንምምስራት ናይቲ ዳግማይ ምርመራ ዘካይድ ሓድሽ ኮሚሽን፡ ካልእ \"ፖለቲካዊ ሃቐነ\" ኣለዎ ብምባል ከምዝተቓወምኦ ይፍለጥ። እንተኾነ እቲ ባይቶ፡ እዚ ሓድሽ ኮሚሽን ነቲ ክካየድ ዝፀንሐ ሓባራዊ ምርመራ \"ዝምልእን\" ተሓታትነት ክህሉ ዝገብርን ምዃኑ'ዩ ኣነፂሩ። እቲ ባይቶ ነዚ ብሕብረት ኣውሮጳ ዝቐረበ እማመ፡ ብ21 ድጋፍ፣ 15 ተቓውሞን 11 ድምፀ ተዓቅቦን እዩ ኣፅዲቕዎ። ዓባይ ብሪጣንያ፣ ሰሜን ኣየርላንድ፣ ኣርጀንቲና፣ ኣርመንያ፣ ጀርመን፣ ኦስትርያ፣ ባሃማስ፣ ባሕሬን፣ ብራዚል፣ ቡልጋርያ፣ ቸክ ሪፐብሊክ፣ ዴንማርክ፣ ፊጂ፣ ፈረንሳ፣ ጣልያን፣ ጃፓን፣ ማርሻል ኣይላንድስ፣ ሜክሲኮ፣ ኔዘርላንድስ፣ ፖላንድ፣ ሪፐብሊክ ኦፍ ኮርያ፣ ዩክሬንን ኡራጋይን፡ ነቶም ዝተፈፀሙ ግህሰታት ዘፃሪ ኮምሽን ክቐውም ድጋፈን ዝሃባ እየን። ኤርትራ፣ ቻይና፣ ሩስያ፣ ሶማልያ፣ ህንዲ፣ ኮትዲቫር፣ ኩባ፣ ካሜሮን፣ ቡርኪናፋሶ፣ ጋቦን፣ ናሚብያ፣ ፓኪስታን፣ ፊሊፒንስን ቬንዝዋላን ድማ ነቲ እማመ ምቅዋመን ይዝከር። እዞም ተመዚዞም ዘለዉ ብውልቀኦም ዘገልግሉ ኮምሽነራት ኣብቲ ዝመፅእ ወርሒ ሰነ\/ሓምለ ናይ ቃላዊ መግለፂ ከቕርቡ፡ ኣብቲ ኣብ ዝመፅእ ወርሒ መስከረም\/ጥቅምቲ ዝካየድ መበል 52 ጉባኤ እቲ ባይቶ ድማ፡ ናይ ፅሑፍ ፀብፃብ ከቕርቡ ተሓቲቶም ኣለዉ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቕፅል ዘሎን ኲናት፡ ህይወት ኣሽሓት ሰባት ቀዚፉ፣ ጠንቂ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ፣ ሚልየናት ካብ መረበቶም ኣመዛቢሉን ተፀበይቲ ህፁፅ ሰብኣዊ ረድኤት ገይሩን ኣሎ። ኣብ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ክሳተፉ ዝጸንሑ ኩሎም ወገናት ከም ገበናት ኲናት ዝኣመሰሉ ዝተፈላለየ ግህሰት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ መሰላት ምፍጻሞም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይኸሱ። ፋቱ ቤንሱዳ (ጋምቢያ) ኣደ መንበር እቲ ሓድሽ ኮምሽን ኮይና ዝተመዘዘት ፋቱ ቡንዴሳ፡ ካብ 2012 ክሳብ 2021 ኣኽባሪት ሕጊ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኵናት (International Criminal Court) ኮይና ኣገልጊላ። ቅድሚኡ ድማ ምኽትል ዓቃቢት ሕጊ እቲ ቤት ፍርዲ ኮይና ንዓመታት ኣገልጊላ'ያ። ጋምቢያዊት ፋቱ ቡንዴሳ ናብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኵናት ቅድሚ ምፅንባራ፡ ኣብ ጉዳይ ሩዋንዳ ላዕለወይቲ ኣማኻሪት ሕግን ጠበቓን ኮይና ኣብ ታንዛንያ ሰሪሓ። ኣብ ሃገራ ጋምቢያ ከኣ ዋና ኣኽባር ሕግን ሚኒስትር ፍትሕን ዝነበረት ፋቱ፡ ኣብ ካልኦት ላዕለዎት ሓላፍነታት'ውን ሰሪሓ እያ። ንፕረዝደንት ጋምቢያን ካቢኔን'ውን ቀንዲ ኣማኻሪት ሕጊ ኮይና ከምዝሰርሐት ሓበሬታ እቲ ባይቶ የረድእ። ኣብ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ውህሉል ልምዲ ስራሕ ዘለዋ ካሪ ቤቲ፡ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ደቂኣንስትዮ፣ ስርዓተ ፆታ፣ ሕገ መንግስትን ምምሕዳራዊ ሕግታትን ብዙሕ ስራሕቲ ኣበርኪታ። ኣብዚ እዋን ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ጠበቓን ተሓላቒትን ዝኾነት ካሪ ቤቲ፡ ኣብ ዓመፃትን ጎንፅታትን ምስ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ደቂኣንስትዮ ኣብ ዝዛመዱ ስራሕቲ ኣድሂባ ትሰርሕ። ካሪ ቤቲ፡ ካብ ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2009 ክሳብ 2010 ኣብ ኮምሽን ሓቂ ፍትሕን ዕርቅን ኬንያ ምክትል ኣደ መንበርን ኮምሽነርን ኮይና ከምዘገልገለት ኣብ ድሕረ ገፅ እቲ ባይቶ ተገሊፁ ይርከብ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኵናት ቦርድ ዳይሬክተራት ትረስት ፈንድ ተወካሊት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ኮምሽን ሓባራዊ ክትትልን ግምገማን ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ ኣማኻሪት ስግግር ፍትሒ ኮይና ሰሪሓ እያ። ከምኡ'ውን ብወራር ዝተትሓዘ ግዝኣት ፍልስጤም ኣብ ዘፃርይ ዘይሻራዊ ኮምሽን ኣባል ኔራ። ስቲቨን ራትነር ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሚቺጋን ፕሮፌሰር ሕጊ እዩ። ትምህርትን ምርምርን ፕሮፌሰር ራትነር ኣብ ዓለምለኸ ሕጊ፣ ዓለምለኸ ሕግታት ሰብኣውነት፣ ስልትታት ፀረራዕዲ፣ ኣብ ተሓታትነት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኢንቨስትመንት ወፃእን ዝምልከት ዘድሃቡ'ዮም። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ጉጅለ ሰብሞያ ካምቦዲያን ኣብ ስሪላንካ ጉጅለ ሰብሞያ ተሓታትነትን ኣባል ኮይኑ ኣገልጊሉ። ካብ 2008 ክሳብ 2009 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ድማ ኣብ ጀኔቫ ክፍሊ ሕጊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ሰሪሑ። ፕሮፌሰር ስቲቨን ራትነር፡ ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣማኻሪ ዓለምለኸ ሕግን ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ዕርቂ ዳይነትን በዓልሞያ ኮይኑ ከምዝሰርሐ ሓበሬታ እቲ ባይቶ የመልክት።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60598760"} {"headline":"ብጾታዊ ዓመጽ ዝተጠርጠረ ተጻዋቲ ጋንታ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ","content":"ተጻዋቲ ጋንታ ማንቸስተር ዩናይትድ ማሶን ግሪንዉድ ብጾታዊ ግህሰት ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓለ ተገሊጹ። ማሶን ግሪንዉድ፡ ምስ ጾታዊ ግህሰትን መጥቃዕትን ዝተሓሓዝ ክስታት ብማሕበራዊ ሚድያ ምቕራቡ ስዒቡ’ዩ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ዝኣተወ። ፖሊስ ማንቸስተር “ሓንቲ ሰበይቲ ንፍጻመታት ኣካላዊ ጥቕዓት ዝሕብር ናይ ስእሊን ቪድዮን መረዳእታ ኣብ ማሕበራዊ ብምጥቅዓ” እቲ ጉዳይ ክፍለጥ ከምዝኸኣለ ኣረዲኡ’ሎ። ወሲኹ ድማ “ምስዚ ናይ ግህሰትን ጥቕዓትን ክሲታት ብዝተሓሓዝ ዝተጠርጠረ ኣብ 20ታት ዕድመ ዝርከብ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ክነረጋግጽ ንኽእል ኢና” ክብል ኣፍሊጡ። ግሪንዉድ ምስቲ ጉዳይ ብዝተኣሳሰረ ሕቶታት ይቐርበሉ ብምህላዉ ገና ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘይወጽአ ይግለጽ። ጋንትኡ ማንቸስተር ዩናይትድ ብወገና ክሳብ ተወሳኺ ወግዓዊ መግለጺ ዝወሃብ ንልምምድ ኮነ ንጻወታ ናብ ሜዳ ከምዘይምለስ ሓቢራ’ላ። “ዝኾነ ይኹን ጥቕዓት ሸለል ኣይንብሎን” ዝበለት ጋንትኡ፡ ነቲ ብማሕበራዊ መራኸቢ ዝቐረበ ክስታት ከምዝፈለጠት ግን ከኣ “እቲ ምጽራይ ክሳብ ዝውደብ” ዝኾነ ዓይነት ርእይቶ ካብ ምሃብ ከምእትዕቀብ ገሊጻ። ማሶን ግሪንዉድ ብወገኑ ነቲ ብማሕበራዊ ሚድያ ዝቐረበ ክስታት መልሲ ወይ መብርሂ ኣይሃበን። እቲ ወዲ 20 ዓመት ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ፡ ኣብ ኣካዳሚ ማንቸስተር ዩናይትድ ከምዝዓበየን ኣብ ወርሒ ለካቲት 2021 ምስታ ጋንታ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ውዕሊ ከምዝተፈራረመን ይፍለጥ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60194747"} {"headline":"ኬንያ፡ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዋጋ ዘኽፍለን ዘሎ ሕጽረት ማይ","content":"ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብምኽንያት ምልውዋጥ ኩነታት ኣየርን ምእራግ ናይ ማይ መስመራትን ከቢድ ሕጽረት ዝስተ ማይ ኣጋጢሙዋ ኣሎ። ኣብ ከም ኪበራ ዝበሉ ሻውላት ዝነብሩ ሰባት ድማ፡ ማይ ብውልቂ ካብ ዝሸጡሎም ሰባት ስለ ዝኾነ ዝረኽቡ፡ እቲ ኣብታ ከተማ ዘሎ ሕጽረት ዝስተ ማይ እቲ ቀረብ ክቆጻጸሩዎ መገዲ ከፊቱሎም ይርከብ። ይኹን'ምበር፡ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝኸፍልኦ ዘለዋ ዋጋ ልዕሊ ገንዘብ እዩ። \"እቶም ምሸት ማይ ዝሸጡልና ሰባት መብዛሕትኦም ደቂ ተባዕትዮ'ዮም። ንጾታዊ ርክብ ዝደፋፍእ ነገር ክገብሩ እንከለው ኣይኾንን ኢልኪ እንተነጺግኽዮም ማይ ኣይህቡኽን\" ትብል ሓንቲ ነባሪት ኪበራ። ኪበራ፡ እቲ ኣብ ናይሮቢ ዝዓበየ ብዙሓት ድኻታት ዝነብርሉ ሻውል ኮይኑ ኣብዚ ማይ ዓብዪ ፈተና እዩ። መብዛሕትኦም ብዓበይቲ ጀሪካናት ማይ እናዓደጉ'ዮም ዝናበሩ። ሜሪ፡ መዓልታዊ ሸሞንተ ጃሪካናት 20 ሊትሮ ማይ ክተመላልስ ትውዕል። ወርሓዊ ርብዒ ወርሓዊ እቶታት ዝኾነ 18 ዶላር ክኣ ኣብ ማይ ተጥፍኦ። ኣብ ኪበራ፡ ብዙሓት ድኻታት ስድራቤታት ማይ መኽፈሊ ገንዘብ ኣዝዮም'ዮም ዝጽገሙ። ሜሪ፡ ሓደ ምሸት ማይ ክትቀድሕ ወጺኣ ግዳይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ኮይና እያ። \"ክልተ'ዮም ነይሮም፤ ክዳነይ ቀዲዶምዎ። እተን ኣውያተይ ሰሚዐን ዝመጽኣ ደቂ ኣንስትዮ ቅድሚ ምምጽአን ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሞምለይ\" ትብል። ጾታዊ ዓመጽ ዝበጽሐን ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብቲ ሕብረተሰብ ዝበጽሐን ተነጽሎ ብምስጋእ ናብ ፖሊስ ሪፖርት ኣይገብራን። ፖሊስ፡ መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሐን ጾታዊ ዓመጽ ናብ ፖሊስ ስለ ዘየብጽሕኦ ኣብ ልዕሊ ከምዚኦም ዝበሉ ጉዳያት ክሲ ምምስራት ኣዝዩ ኣጸጋሚ ከም ዝኾነ ይገልጽ። \"እቲ ዓብዪ ጸገም ፖሊስ ብጥቕልሉ ዝብሃሉ ወይ ጥርጣረታት መርመራ ዘይገብር ምዃኑ'ዩ። ፖሊስ ኣብ ዝፍለጥ ጉዳይ ንዝረኸቦ ሓበሬታ'ዩ ዘጻሪ። ዝፍለጡ ጥርዓናት ተቐቢልና ክነጻሪ ግን ድሉዋት ኢና\" ኢሉ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ኬንያ ብሩኖ ሺሶ። ኣብቲ ከባቢ መንግስቲ ዘዳለዎም ናይ ማይ ቱቦታት እኳ እንተሃለው ነቲ ዘሎ ጠለብ ዘማልኡ ግን ኣይኮኑን። ኣብ ናይሮቢ፡ ካብ 2005 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ጀሚሩ ሕጽረት ማይ ከጋጥም ጸኒሑ። ነዚ ስዒቡ ኣብ ከም ኪበራ ዝበሉ ከባቢታት ብውልቂ ማይ ዝሸጡ ሰባት ነቲ ዘጋጠመ ክፍተት ንምምላእ ቦታ ወሲዶም። ገንዘብ ከፊልካ ማይ ምምጻእ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህይወተን ኣዝዮም ከበድቲ ዝኾኑ ስጉምታት ክወስዳ ኣገዲዱወን እዩ። \"እቲ ማይ ዝሸይጥ ሰብ ክሳብ ዝሓተኒ ማይ ብልቓሕ ይወስድ ነይረ፤ 'እዚ ኹሉ ገንዘብ መዓዝ ኢኺ ክትከፍልዮ?' ኢሉ ሓቲቱኒ። ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምንም ነገር የብለይን ምስ በልኩዎ፡ ኣካልኪ ዕዳኺ መኽፈሊ ክኾነኪ'ዩ ኢሉኒ\" ትብል ግዳይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝኾነት ጃኔ። ኣብ ኪበራ ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ብዝበጽሐን ጸገማት ምኽንያት ስነ ልቦናዊ ድጋፍ ንምርካብ ናብ ኡማንዴ ይኸዳ። \"እዞም ስልጠናታት ገለ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸገማት እተን ግዳያት ንነዊሕ ዓመታት ዝጸርኦም ሸኽምታት ንምቅላል ዝሕግዙ'ዮም\" ትብል ቤናዚር ኦሞቶ። ገለ እዚ ኩነታት ዘተሓሳሰቦም ነበርቲ እቲ ከባቢ 'ማይ ንምርካብ ዝኽፈል ጾታዊ ርክብ የብቅዕ' ዝብል ጎስጓስ ብምጅማር ወነንቲ ናይ ማይ ቦትታት ደቂ ኣንስትዮ ክቐጽሩ ጸቕጢ ገይሮም። ሓንቲ መንእሰይ፡ \"ሕጂ ማይ ክቀድሕ መጺአ ጓል ኣንስተይቲ ክትሸይጥ ምስ ርኣኹ ጽቡቕ ተሰሚዑኒ። ቅድሚኡ እክብ ኢሎም ዊድ ዘትክኹ መናእሰይ ደቂ ተባዕትዮ እየ ዝረክብ ነይረ\" ኢላ። ብርክት ዝበሉ ዘይመንግስታዊ ትካላት ብደረጃ ሃገር ዝኾነ ማይ ዘቕርብ ኣካል ተቓላዕቲ ዓማዊል ከይምዝምዝ ለውጢ ክግበር ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ጻውዒት የቕርቡ ኣለው።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61226220"} {"headline":"ሞሮኮ፡ ብጾታዊ ዓመጽ ዝተጠርጠሩ 11 ውልቀሰባት ማእሰርቲ 20 ዓመት ተፈሪዶም","content":"ቤት ፍርዲ ሞሮኮ፡ ኣብ 2018 ጓል 17 ዓመት ጓል ኣንስተይቲ ብንጭዋይ ኣዝዩ ጭካነ ብዝተመልኦ መገዲ ብምዕማጽ ገበነኛታት ኮይኖም ዝረኸቦም 11 ደቂ ተባዕትዮ ን20 ዓመት ክእሰሩ ፈሪድዎም። ከድጃ፡ እቶም ዝዓመጹዋ ሰባት ገይሮምዎ እትብሎ ኣብ ዝባና ዝዓረፈ ውቃጦታት፣ ዝተቓጸለን በሰላ ዝመልዎ ሰብነታን ንህዝቢ ኣርኢያቶ እያ። ኣብ 2018 ኣብ ዝሃበቶ ቃለ መሕተት፡ ነቶም መጥቃዕቲ ዘብጽሑላ \"ፈጺመ ይቕረ ኣይብሎምን\" ኢላ ነይራ። ጉዳይ ከድጃ ኣብታ ሃገር ሓያል ቁጥዐ ከልዕል እንከሎ #JusticePourKhadija ዝብል ጎስጓስ ክልዓል ምኽንያት ኮይኑ'ዩ። ጠበቓ ኢብራሂም ሃቻኔ ንኣገልግሎት ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ጥርጡራት ገበን ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ሰባት ክሳብ 30 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ስለዝፍረዶም፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እዞም ጾታዊ ዓመጽ ዘብጽሑ ውልቀሰባት ዝተዋህበ መቕጻዕቲ \"ከቢድ\" ኣይኮነን ኢሉ። እቶም ገበነኛታት 16 ሽሕ ዶላር መቕጻዕቲ'ውን ክኸፍሉ ከም ዝተፈርዶም ሓቢሩ። ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ሞሮኮ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ልሙድ ከም ዝኾነ ብምጥንቃቕ፡ ልዕሊ ፍርቂ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሐን ዘመልክቱ መጽናዕታት ከምዘለው ገሊጾም። ኣብ 2018፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ጓል ኣንስተይቲ ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ግዱድ መርዓ፣ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ዝፍጸም ጾታዊ ግህሰትን ካልኦት መጥቃዕታትን ዘቕጽዕ ሕጊ ኣሕሊፉ ነይሩ። ይኹን'ምበር ሂዩማን ራይትዎች፡ መንግስቲ ኣብ ሓዳር ዘጋጥም ጾታዊ ዓመጽ ገበን ኣይገበሮን፤ ዘቤታዊ ዓመጽ ዝበሃልከ እንታይ'ዩ ዝብል ንጹር ኣይገበሮ ክብል ነቒፉዎ። ከድጃ፡ ኣብ ትሕቲ እቶም መጥቃዕቲ ዘብጽሑላ ሰባት ብዙሕ ስቅያት ከም ዘሕለፈት ብምግላጽ \"ኣዕኒዮምኒ'ዮም\" ትብል። \"ብዙሕ ግዜ ከምልጥ ፈቲነ'የ፤ ግን ተታሒዘ ተሃሪመ\" ክትብል ኣብ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ተዛሪባ። \"ኣሳቕዮምኒ፤ መግብን ማይን ኣይህቡንን። ሰብነተይ ክሕጸብ ኣየፍቅዱለይን\" ኢላ። ብዙሓት ዜጋታት በቲ ዝበጽሓ መጥቃዕቲ እታ ሃገር ክስንብዱ እንከለው፡ ስድራቤት እቶም ግዳያት ግን ከድጃ ኣብ ሚድያ ትሕሱ ኣላ ክብሉ ነቒፎምዋ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58674775"} {"headline":"ኣመሪካ፡ ብጾታዊ ጥቕዓት ዝተኸሰሰ ኣመሓዳሪ ኒውዮርክ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ተሓቲቱ","content":"ኣመሓዳሪ ኒው ዮርክ ኣንድሪው ኩዋሞ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ጥቕዓት ምፍጻሙ ብገለልተኛ መርመራ ድሕሪ ምርግጋጹ፡ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ፕረዚደንት ባይደን ጸዊዑ፡፡ እቲ ኣመሓዳሪ ናይታ ግዝኣትን ፌደራልን ሕጊ ከም ዝጠሓሰ ዓቃቢት ሕጊ ለቲትያ ጄምስ ምስ ገለጸት ድሕሪ ሰዓታት ፕረዚደንት ባይደን ንተግባር እቲ ኣመሓዳሪ ኾኒኑ። ኣመሓዳሪ ኩዋሞ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ግና፡ ንዝኾነ ሰብ ካብ ኣገባብ ወጻኢ ከም ዘይተንከፈን ኣብ ስርሑ ከም ዝቕጽልን ገሊጹ። እቲ ካልእ ናይ ገበን ምርመራ ዝግበረሉ ዘሎ ኣመሓዳሪ፡ ብድምጺ ካብ ሓላፍነቱ ክወርድ ይኽእል እዩ። ፕሬዝደንት ባይደን ኣብ ቤተ መንግስቲ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኩዋሞ \"ብፍቓዱ ካብ ሓላፍነቱ ክወርድ ዘለዎ ይመስለኒ\" ኢሉ። ወሲኹ፡ \"እቲ ናይ ግዝኣት ሓጋጊ ካብ ስልጣኑ ከውርዶ ውሳነ ከሕልፍ ከም ዝኽእል ይርድኣኒ፤ ብርግጽ ኣነ ኣይልጥን፤ ንኹሉ እቲ መረዳእታ ኣየንበብክዎን\" ብምባል ተዛሪቡ። እቲ ኣመሓዳሪ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ጥቕዓት ከም ዝፈጸመለን ምስ ከሰሰኦ ዓቃቢ ሕጊ መርመራ ከካይድ ጀሚሩ። ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ድማ መርመርቲ ንመሳርሕቱን ካብተን ጥርዓን ዘቕረባን ሓዊሱ ኣስታት 200 ሰባት ዘዘራረቡ ኮይኖም፡ ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰነዳት፣ መልእኽቲታትን ፎቶታትን መርሚሮም እዮም። ከም ውጽኢቱ ድማ ‘‘ኣመሓዳሪ ኣንድሪው ኩሞ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ጥቕዓት ብምፍጻም ናይታ ግዝኣትን ፌደራልን ሕጊ ከም ዝጠሓሰ እቲ ገለልተኛ ምርመራ ደምዲሙ እዩ\" ኢላ ዓቃቢት ሕጊ ላቲትያ ጄምስ፡፡ ወሲኻ፡ እቲ ኣመሓዳሪ \"ተቐባልነት ዘይብሉን ኣብ ድልየት ዘይተመስረተን ምትንኻፋት ፈጺሙን ብዙሓት ጽዩፋት ዘረባታት ተዛሪቡን እዩ\" ኢላ። እቲ ኣመሓዳርን መሳርሕቱን ንሓንቲ ነቲ ኣመሓዳሪ ዝኸሰሰት ሰራሕተኛ ከም ዝተበቀሉዋ እታ ዓቃቢት ሕጊ ዝለጸት ኮይና፡ ገለ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ከም ዝተገታገተን፣ ከም ዝሰዓመን ወይ ኣብ ሰለፉ ኮፍ ክብላ ከም ዝገበረን ገሊጸን፡፡ ሓንቲ ካልእቲ ጡባ ንምሓዝ ከም ዝፈተነን ሓንቲ ተሓጋጋዚቱ ዝነበረት ድማ ምስ ዓበይቲ ሰብኡት ጾታዊ ርክብ ንምፍጻም ፍቓደኛ አንተኾይና ከም ዝሓተታን ተዛሪበን፡፡ ኣንድሪው ኩዋሞ ካብ ክሲታት ጾታዊ ጥቕዓት ብተወሳኺ፡ ዘይምቹእ ናይ ስራሕ ከባቢ በምፍጣር እውን ተኸሲሱ እዩ፡፡ ንሱ ግን ነቶም ክሲታት ነጺግዎም፡፡ \"ኣነ ወዲ 63 ዓመት እየ፤ ሙሉእ ዕብየተይ ህዝቢ ዝርእዮ እዩ ነይሩ። ኣነ እቲ ዝተባህለ ሰብ ኣይኮንኩን፤ ከምኡ ኮይነ እውን ኣይነበርኩን\" ክብል ገሊጹ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58083143"} {"headline":"ናይጀርያ፡ ሓይልታት ጸጥታ 13 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ቀቲሎም - ጸብጻብ","content":"ሓይልታት ጸጥታ ናይጀርያ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ልዕሊ 13 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉ ሓደ መጽናዕቲ ገሊጹ። እዚ ኣብ ኣፍሪቃ ዴሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ምዕባይ ዝሰርሕ ማእከል ልምዓትን ዴሞክራስን ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል ዝተኻየደ መጽናዕቲ እዩ። እቲ ማእከል ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ድማ ኣሽሓት ሰባት ግዳያት ስቅያት፣ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ቕትለትን ከም ዝኾኑ ብምግላጽ እዚ ብዘይምሕረት \"ልሙድ\" ይኸውን ኣሎ ኢሉ። ሰብ መዚ ናይጄሪያ ክሳብ ሕጂ ነዚ ጸብጻብ ዝምልከት ዝሃቡዎ ርኢይቶ የለን። እቶም መጽናዕቲ ዘካየዱ ሰባት ግን ንዝሓለፉ ክልተ ዓሰርታት ዓመታት ኣብ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት እታ ሃገር ሰብኣዊ መሰላት፣ ናጽነት ፕረስን ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ምሕደራን ኣመልኪቱ መጽናዕቲ ገይሮም። ኣብቲ ጸብጻብ ድማ ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ተገንጸልቲ ሓይልታትን \"ኣሸበተርትን\" ከምኡ'ውን ሰላማውያን ሰልፍታት ተቓውሞምን ንምቅላስ \"ልዕሊ ዓቐን ሓይሊ\" ይጥቀሙ'ዮም ይብል። ብተወሳኺ ሰብ መዚ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት #EndSARS ብዝብል ጎስጓስ ዝተኻየደ ተቓውሞ ዝነበረ ጭካነ ፖሊስ ዳህሲሱ ኣሎ። ናይጄሪያውያን፡ እቲ ሳርስ ብዝብል ዝፍለጥን ስርቂ ከወግድ ዝተጣየሰን ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ክውገድ ይጠልቡ። #EndSARS ዝብል 'ሃሽታግ' ድማ ቅድሚ ክልተ ዓመት እዩ ጀሚሩ። ሕቶ ተቓወምቲ ሳርስ እንታይ'ዩ? '#EndSARS' ወይ ድማ ሳርስ የብቅዕ፡ ዝብል ጎስጓስ ነዞም ዝስዕቡ ሓሙሽቶ ሕቶታት የልዕል እቲ ማእከል ስርጸት ዴሞክራሲ እዞም ክስተታት ኣብ ሞንጎ ዜጋታት እታ ሃገር ፍርሒ ክዓስል ገይሮም እዩ ኢሉ። ስለ ዝኾነ ድማ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ዙርያ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ስልጠና ክወሃቦምን ግህሰት ዝፈጸሙ ተሓተትቲ ክኾኑን ክጽውዕ እንከሎ ዜጋታት ሙሉእ ንሙሉእ ኣብ ምሕደራን ልምዓትን ተሳተፍቲ ክኾኑን ኣለዎም ክብል ተላብዩ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59466858"} {"headline":"ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ብጥንቆላ ተኸሲሳ ኣብ ኣደባባይ ዝተሳቐየት ጓል ኣንስተይቲ","content":"\"ኣብ ቅድሚ ዓይነይ . . . 'ቀቲልክዮ' እናበሉ የእውዩ\" ነይሮም። ሞኒካ ጳውለስ፡ ኣቡኣ ብሰንኪ ወቕዒ ልቢ ሃንደበት ነፍሱ ስሒቱ ወዲቑ ክመውት እንከሎ፡ ሓዋ ኣጠንቊላ ቀቲላቶ ኢሉ ከሲሱዋ። በዚ ምኽንያት ክሳብ ሞት ዝበጽሕ ምስቓይ በጺሑዋ። \"ንዓይ ኣሰንበዲ'ዩ ነይሩ። መሓዙተይ፣ ስድራይ ኩሉ . . . ገጾም ጸዋዊጎሙለይ፤ ድሓር ኣነ ሕማቕ ሰብ ደይ ኢለ ከም ዝሓስብ ገይሮሙኒ\" ትብል። ወሲኻ \"ከምኡ ኢሎም ክኸሱኒ እንከለው ኣነ ሕፍረትን ኢንታን ተሰሚዑኒ\" ኢላ። በዚ ምኽንያት ካብቲ ዝዓበየትሉ ከባቢ ተሰዲዳ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝኣታት ፓፓዋ ኒው ጊኒ ክትነብር ተገዲዳ። ኣብታ ሃገር፡ ምስ ጥንቆላ ብዝተሓሓዝ ዝበጽሕ ግህሰት ወይ መጥቃዕቲ ሰፊሕ እዩ። ዋላ'ውን እዚ ክሳብ ክንደይ ዘጋጥም'ዩ ዝብል ንምፍላጥ ዝሕግዝ ጭቡጥ መረዳእታ እንተዘይሃለወ፡ ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣስታት ሽዱሽተ ሽሕ ክስተት ከም ዝነበረ ጸብጻባት መንግስቲ ይሕብሩ። ገሊኦም ግን፡ ዓመታዊ ኣሽሓት ሰባት - መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮን - ብጥንቆላ ተኸሲሰን ግዳያት ስለ ዝኾና እቲ ቁጽሪ ክብ ክብል ከም ዝኽእል ይገልጹ። ካብዚ ብዝብገስ እተን ደቂ ኣንስትዮ ንኣዝዩ ዘስካሕክሕን ጾታ መሰረት ዝገበረን ግህሰት ዝተቓልዓ እየን። \"ብዛዕባ ጫፍ ዝበጽሑ መጥቃዕታት ኢና ንዛረብ ዘለና፤ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝርኣኹዎም እቶም ኣዝየም ዝኸፍኡ ግህሰታት\" ትብል ሰራሕተኛ ሂዩማን ራይትስዎች ስቴፋኒ ማክሌናን። \"እቲ ኣዝዮም ዝኸፍኡ፡ ብዕስለ ዝግበሩ መጥቃዕታትኮይኖም እተን ግዳያት ከም እሱር ይማረኻ፣ ይሰቓያ፣ ብዝረሰነ ሓጺን ይቃጸላ፣ ክዳውንተ ብሓይሊ ይቕደድ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ይቕተላ\" ኢላ። ኣብዚ ዓመት፡ ኣብ ልዕሊ ሜሪ ኮፓሪ ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ንብዙሓት ኣዘራሪቡ'ዩ። ጓል 30 ዓመት ሜሪ፡ ሄላ ኣብ ዝተባህለ ግዝኣት ፓፓዋ ኒው ጊኑ ድሕሪ ብ7 ግንቦት 2021 ዓ.ም ዘጋጠመ ሞት ቖልዓ ክልተ ዓመት ወዳ ምስ ጥንቆላ ብዝተሓሓዝ ጠቐነ ኣዝዩ ጭካነ ብዝተመልኦ መገዲ እያ ተቐቲላ። ኣብ ዕዳጋ ድንሽ እናሸጠት እንከላ ብዕስለ ተታሒዛ ብህይወትታ እንከላ ብሓዊ ኣቃጺሎምዋ። ዋላ'ውን እቲ ክስተት ብቪድዮ ተቐዲሑ ኣብ ማዕኸናት ዜና እንተተጋውሐ ነዚ ተሓታቲ ክኸውን ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ የለን። ካልኦት ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ'ውን ብተመሳሳሊ ጠቐነ ግዳያት ኮይነን ናብ ጫካታት ክሃድማ ዝኽኣላ ከም ዘለዋ ማክሌናን ትዛረብ። ስቅላት ኣብ ኣደባባይ ሞኒካ፡ ብጥንቆላ ምስ ተጠቀነት ክትሃድም ክኢላ እያ። \"ብጥንቆላ ብዘጋጥም ሞት ክኽሰስ እንከለኹ ኣኸለ - ዋላ ሓደ መረዳእታ ዝሓተተ ኣይነበረን። ካብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣቦይ ተኸልኪለ። ድሕሪኡ ቤተሰበይ ኮነ እቲ ሕብረተሰብ ከም ዘይቕበለኒ ይፈልጥ ነይረ\" ትብል። ኣብቲ ሽዑ እዋን ሓዋ ብጥንቆላ ክኸሳ እንከሎ ናይ ኣቡኦም ውርሻ ክብሕቶ ስለ ዝደለየ'ዩ ብሓሶት ከሲሱኒ ኢላ ትኣምን። እንተኾነ ኩሎም ምስ ጥንቆላ ብዝተሓሓዝ ዘንቅሉ ክስታት ገንዘብ ካብ ምድላይ ዝለዓሉ ኣይኮኑን፤ እኳ ድኣ ገሊኦም ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ካብ ዘሎ ዓሚቕ ባህላዊ እምነት ዝምንጭው'ዮም። ሞኒካ፡ \"ጥንቆላ ኣብ ህዝብና ሱር ሰዲዱ'ዩ\" ትብል። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ቖልዓ እንከላ ኣትሒዙ ቕትለት ይፍጸም ከም ዝነበረን እቲ ሕብረተሰብ ተቐቢሉዎ ከም ዝመጽአን ትዛረብ። \"ሚዲያታት ኣብ 1990ታት እየን ብግልጺ ክዛረባሉ ጀሚረን፤ ቅድሚኡ ሰብ ከይፈለጦ ብዙሓት ይቕተሉ ነይሮም። ሕጂ ደቂ ኣንሰትዮ ናብ ኣደባባይ ተወሲደን ይስቀላ። ፈጺሙ ሰብኣዊ ኣይኮነን\" ትብል። ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስ ጥንቆላ ብዝተሓሓዝ ዝፍጸሙ ግህሰታት ከም ዝወሰኸ ይገልጽ። እዚ ብምኽንያት እቲ ክታበት ንዘይምውሳድ ዘሎ ምጉብዕባዕን ህላወ ኮሮናቫይረስ ንዘይምቕባል ብዘሎ ዝንባለን ዝስዓበ ኮይኑ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዘጋጥም ሞት ምስ ጥንቆላ ክተሓሓዝ ከም ዝግበር ማክሌናን ትገልጽ። ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ሓንቲ ሰበይቲ በዓል ቤታ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ምስ ሞተ ንሳን ጓላን ኣጠንቊለናሉ ተባሂለን ተኣሲረንን ተሳቕየንን እየን። ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር እታ ጓል 45 ዓመት ኣደን ጓል 19 ዓመት ጓላን ስብራት ዓጽሚ ኣዕዳው ከም ዘጋጠመንን ብዝረሰነ ሓጺን ከም ዝነደዳን ጸብጺበን። ኣብዚ ሕጂ እዋን መንግስቲ እታ ሃገር ነዚ ግህሰት ዝቃለስ ኮሚቴ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከቕውም እንከሎ ኣቦ መንበር ቻርለስ ኣቤል፡ ኮሮናቫይረስ \"ሰባት ብጥንቆላ ንክጥቅኑዎም\" ከም ምኽንያት ይጥቀሙሉ ኣለው ክብል ኣጠንቂቑ። ሞኒካ ድሕሪ እቲ ዘጋጠማ ግህሰት ህይወታ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቓ ንኻልኦት ግዳያት ክትቃለስ እያ መሪጻ። ንሳ ተሰዲዳ ኣብ ካልእ ክፋል ፓፓዋ ኒው ጊኒ እናነበረት፡ ሕጂ'ውን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣደባባይ ብእምኒ ተቐጥቂጠን ክቕጽዓ ከም እትርኢ ትዛረብ። ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ሓደ ሰብኣይ ክዕምጻ ምስ ፈተነ መልሓሱ ስለ ዝነኸሰቶ ጠንቋሊት ተባሂላ ተኸሲሳ እያ። \"ኣብ ቅድሚ ነቲ ክስተት ዝርእዩ ዝነበሩ ሰብ መዚ መንግስቲ እያ ተቐቲላ። ሽዑ ሓደ ነገር ክገብር ከም ዘለኒ ይርዳእ ነይረ\" ትብል። ድሕሪኡ ሞኒካ ነተን ብጥንቆላ ዝኽሰሳ ደቂ ኣንስትዮ ዝሕግዝን ጎስጓስ ዝገብርን ጉጅለ ኣጣይሻ። እዚ ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ልዕሊ 500 ሰባት ከድሕን ክኢሉ እዩ። እዚ ስራሕ ካብ እትጅምር ኣትሒዙ ሞኒካ መንበሪ ገዝኣ ተቓጺሉ'ዩ፤ ሕጂ ካብታ ሃገር ወጺኣ ኣብ ኣውስትራሊያ ስደተኛ ኮይና ትነብር ኣላ። \"ካብ ሰለስተ ደቀይ ርሒቕካ ምንባር ከቢድ'ዩ፤ ውሑሳት እንተኾይኖም ሰላም ክረክብ እየ፤ ግን ይጉዳእ እየ ዘለኹ\" ትብል። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፓፓዋ ኒው ጊኒ ብፍላይ ጾታ መሰረት ዝገበረ ጸገማት ሰብኣዊ መሰላት ክትፈትሕ ኣተሓሳሲቡ እዩ። ምኽትል ኣቦ መንበር ኮሚቴ ጾታ መሰረት ዝገበሩ ግህሰታት ባይቶ እታ ሃገር ኣመሓዳሪ ኣላን በርድ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ነዚ ጸገም ንምቅላስ ዝውዕል \"እኹል\" ገንዘብ ንመጀመርታ እዋን ከም ዝተሰልዐ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ፓፓዋ ኒው ጊኒ ኣብ ዓለም ንደቂ ኣንስትዮ ኣዝየን ሓደገኛታት ካብ ሞንጎ ዝበሃላ ሃገራት ሓንቲ ኮይና፡ ኣስታት 70 ሚኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ እታ ሃገር ኣብ ህይወተን ጾታዊ ዓመጽ ይበጽሐን።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59572954"} {"headline":"ብሪጣንያ፡ 'ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂተባዕትዮ ዝፍጸም ኣይመስለንን ነይሩ'","content":"ኣሌክስ ፈይስ-ብሪስ ኣብ ሓደ ዝተዓደመሉ ድግስ [‘ፓርቲ’] ብዘይፈልጦ ውልቀሰብ ክዕመጽ እንከሎ ገና ወዲ 18 ዓመት መንእሰይ ነይሩ። ኣብዚ እዋን ናብ ሕደ ጾታዊነት [ንተመሳሳሊ ጾታ ዝፈትው ወይ ‘ገይ’] ዝተቐየረ ኮይኑ ካብ ዝነብረላ ንኢሽተይ ከተማ ናብ ማንቸስተር ንትምህርቲ ከይዱ’ሎ። “ንሕደ-ጾታውያን ናብ ዝተኸፈተ እንዳመስተ ክኸይድ ከለኹ ንኻልኣይ ጊዜ ይመስለኒ። ኣነን መሓዛይን ናብቲ ዝተዓደምናሉ ገዛ ተሓዊስና። ሽዑ ኣነ ገርሂ መሓዙት ንምርካብ ዝህንጠውን ምስ ሰባት ተቐራራብን ነይረ” ይብል። ኣሌክስ ኣብቲ ተደፋፊኡ ዝኸደሉ ገዛ ብመዕወኒ ዕጽ ክድንዝዝ ከም ዝተገበረ’ዩ ዝኣምን። “ነቲ ገዛ ዝውንን ሰብ መስተ ይቐድሓለይ ነይሩ፤ ሽዑ ክድንዝዝ ከለኹ ተሰሚዑኒ። ናብ መደቀሲ ክፍሊ ወሲዱ ከኣ ደፊሩኒ። ምስቲ ዓራት ተኣሲረ ዝነበርኩ መሲሉ ተሰሚዑኒ” ክብል ከኣ ነቲ ዝተፈጠረ ኩነታት ይዝክሮ። ኣሌክስ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ ተግባር ኣብ ውሽጡ ቀቢሩ ክሕዞ’ዩ ወሲኑ። “ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዩ ዝፍጸም ኣይመስለንን ነይሩ። ኣብ ልዕሊ ጓልኣንስተይቲ ጥራይ ከም ዝፍጸም ገይረ ክሓስብ ኮይነ’የ ዓብየ። እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ልዕለይ ዝተፈጸመ ከይዛረቦን ናብ ፖሊስ ከይሕብርን ኣኽቢዱለይ። ምኽንያቱ ዝእመን’ውን ኣይመሰለንን” ክብል ዝነበሮ ስግኣት የረድእ። ኣሌክስ ኣብዚ እዋን ግህሰት፣ ጾታዊ መጥቃዕትን ዓመጽን ንዝተፈጸሞም ደቂ ተባዕትዮ፣ ኣወዳት ቆልዑን ብሓዲኡ ጾታ ክጽውዑ ዘይደልዩ ሰባትን ሓገዝ ናይ ዝገብር ‘ሰርቫይቨርስ ዩኩ’ ዝተባህለ ገባሪ ሰናይ ትካል ዋና ኣፈጻሚ ስራሕ’ዩ። ኣብ ዓመተ 2020 ክሳብ ወርሒ መጋቢት ጥራይ ሓደ ካብ 100 ደቂተባዕትዮ፡ ዝኾነ ዓይነት ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸሞ ወይ ፈተነ ከም ዘጋጠሞ ኣብ እንግሊዝን ዌልስን ዝተገበረ ዳህሳስ ገበን የመልክት። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እቲ “ኣብ ታሪኽ ገበን ብሪጣንያ እቲ ኣዝዩ ጨካን ፈጻሚ ጾታዊ ግህሰት” ብዝብል ዝግለጽ ረይንሃርድ ሲናጋ ን48 ደቂተባዕትዮ ኣብ ከተማ ማንቸስተር ካብ ዝርከቡ ባራት ናብ ገዝኡ ብምውሳድ ዓሚጹ። እዚ ከባቢ ድማ ካብቲ ኣሌክስ ምስቲ ዝደፈሮ ሰብ ዝተራኸበሉ ከባቢ ዝርሕቕ ኣይኮነን። ሲንጋ ነቶም ደቂ ተባዕትዮ ኣገዲዱ ብምውሳድ ክጋሰሶም ከሎ ነቲ ዝፍጽሞ ተግባር ብቪድዮ ይቐድሖ ነይሩ። ሰርቫይቨርስ ዩኬ ዘካየዶ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ምስ ጠቕላላ ደቂ ተባዕትዮ ክነጻጸር ከሎ ኣብ ልዕሊ እቶም ‘ገይ’ ብዝብል ዝግለጹ ሕደ-ጾታውያንን ድርብ ወይ ክልቲኡ ጾታ ዘለዎም ደቂተባዕትዮን ዝፍጸም ጾታዊ ግህሰት ይዛይድ። ካብ 505 ሕደ-ጾታውያንን ድርብ ጾታውን ኣብ ዝኣከብዎ ድምጺ እቶም 47 ሚኢታዊት ጾታዊ ግህሰት ከም ዝተፈጸሞም ክገልጹ ከለዉ፤ ካብኦም ልዕሊ ሲሶ ዝኾኑ ከኣ ብዛዕባ እቲ ዝበጽሖም መጥቃዕቲ ንኻልእ ሰብ ክዛረቡ ዘይደፈሩ እዮም። ኣብቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝገበርዎ ዳህሳስ፡ ሓደ ካብ ሸውዓተ ሰባት ጥራይ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ ጾታዊ ግህሰት ንፖሊስ ከም ዝሓበረ ክፈልጡ ኪኢሎም ነይሮም። ዳርጋ ርብዒ ካብቶም ንፖሊስ ዝሓበሩ ከኣ ዝኣምኖም ከምዝይረኸቡ ወይ ጥርዓኖም ብትኹረት ከም ዘይተትሓዘ ይስምዖም። “ብመዕወኒ ዕጻት ኣደንዚዝካ ወይ ምስ ብዙሓት ሰባት ኮይንካ ዝፍጸም ጾታዊ ርክብ ኣዝዩ ንተነጽሎ ዘቃልዕ’ዩ” ዝብል ኣሌክስ “ዝኾነ ሰብ ብኸምዚ ዝበለ ኩነታት ጾታዊ መጥቃዕቲ እንተተፈጺምዎ ንፖሊስ ዝሕብረሉ ኣጋጣሚ ዝተሓተ’ዩ” ክብል የረድእ። ኣብ መሰላት ሕደ-ጾታውያን ዝነጥፍ ጋሎፕ ዝተባህለ ገባሪ ሰናይ እውን ጾታዊ ግህሰተትን መጥቃዕትን ንዝተፈጸሞም ሰባት ይሕግዝ። “ሕደ-ጾታውያንን ብሓዲኡ ጾታ ዘይጽውዑን ደቂ ተባዕትዮ ንነብሶም ወይ ንዘጋጥሞም ነገራት ኣብቲ ብዙሓት ዝዛረቡሉ ጾታዊ ዓመጻት ኣእትዮም ኣይርእዩን። ነዓኣቶዎም ዝወሃብ ሓገዝ እውን ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ” ትብል ዋና ፈጻሚት ስራሕ እቲ ትካል ሌኒ ሞሪስ። ብዙሓት ነዚ ክዛረቡ ወይ ከቃልዑ ከም ዘይረኣዩ ብመጽናዕቲ ከም ዘረጋገጹ ከኣ ትሕብር። \"ብዘይገለ ሙያዊ ሓገዝ ምስቲ ዘጋጠሞም ነገር ንበይኖም’ዮም ዝግደፉ። ጉዳይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ክለዓል ከሎ ንኹሎም ግዳያት ብዘማእኸለ ክኸውን ኣለዎ። ኩሎም ግዳያት መጥቃዕቲ ከኣ ብማዕረ ሓገዝ ክረኽቡ ምግባር የድልይ\" ኢላ። ሊ [ስሙ ዝተቐየረ] ንጾታዊ ኩነታቱ ምኽንያት ብምግባር ነንብሱ ክጎድእ ፈቲኑ ናብ ሆስፒታል ኣብ ዝተወሰደሉ እዋን ወዲ 15 ዓመት ነይሩ። ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝኸውን ብኣማኻሪኡ ጾታዊ ግህሰት ስለ ዝተፈጸሞ እዚ ኣጋጣሚ ንዓመታት ናብ ፍርሒ ከም ዘእተዎ ይዛረብ። “እዚ ናይ ህይወተይ ኣጋጣሚ ንዓሰርተ ዓመት ዝኣክል ኣብ ካልኦት ናይ ህይወተይ ምንቅስቓሳት ይኣቱ ነይሩ። ጾታዊ ዓመጽ ከም ንቡር ክውሰድ ብምኽኣሉ ከኣ ኣነ’ውን ንነብሰይ ብዙሕ ኣይግደሰላን ነይረ” ይብል ንዘሕለፎ ኩነታት ብምዝካር። “ኣብ ርእሰይ ካብ ዘሎ ጭንቀት ክሃድም እፍትን ነይረ፤ ፈውሲ ምርካብ ግን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮይኑኒ። ካብቲ ናብ ውሽጠይ ሱር ዝሰደደ ጸገማተይ ንምውጻእን ምስ ዘለኹሉ ስምዒት ንምስናይን ብዝብል ብመዕወኒ ዕጻት ከምኡ’ውን ወሲብ ንነብሰይ ክጸምድ ጀሚረ፤ እዚ ከኣ ተወሳኺ ጸገም ኣኸቲሉለይ” ይብል ሊ። ሓገዝ ክግበረሉ እንተዝሕተት’ውን እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ ነገር ከም ጾታዊ ግህሰት ዝቑጸር ምዃኑ ዋላ ሓደ ኣፍልጦ የብሉን።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57931257"} {"headline":"ኤየር ቢኤንቢ ንሓንቲ ጾታዊ ዓመጽ ዘጋጠማ ቱሪስት 7 ሚልዮን ዶላር ከፊሉ","content":"ኣካረይትን ተኻረይትን ገዛ ዘራኽብ ትካል ኤየር ቢኤንቢ ንሓንቲ ‘ቱሪስት’ ኣብ ኒውዮርክ ድሕሪ ዝበጽሓ ሓደጋ 7 ሚልዮን ዶላር ክኽሕሳ ከምዝተገደደ ተገሊጹ። ብመሰረት ጸብጻብ ማእከን ዜና ብሉምበርግ እታ ኣውስትራልያዊት በጻሒት ሃገር ኣብቲ ብመገዲ ኤየር ቢኤንቢ ዝተኻረየቶ ገዛ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ናይ 2015 እዩ ብኻራ ብምፍርራሕ ጾታዊ ዓመጽ ተፈጺምዋ። እታ ምስ መሓዝኣ ዝነበረት ግዳይ፡ መፍትሕ ናይቲ ገዛ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝነበረ ድኳን ኣብቲ ዕለት ከም ዝተረከበቶ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ። እቲ ጥርጡር ቅዳሕ ናይቲ መፍትሕ ብምሓዝ ኣቐዲሙ ናብቲ ገዛ ብምእታው ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺምዎ ክኸውን ከም ዝኽእል ተሓቢሩ። እታ ቱሪስት ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ናብቲ ገዛ ኣብ ዝኣተወትሉ፡ ወዲ 24 ዓመት ጥርጡር ጁንየር ሊ ኣብ ባኞ ተሓቢኡ ከም ዝጸንሐ ብሉምበርግ ሓቢሩ። ብጾታዊ ዓመጽ ክሲ ቀሪብሉ ኣብ ቀይዲ ዝርከብ ሚስተር ሊ ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ነጺግዎ ኣሎ። ቢቢሲ ንጠበቓ ሚስተር ሊ ርእይቶኡ ክህብ ኣብ ዝሓተተሉ ፍቓደኛ ኣይነበረን። ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ፡ ጉጅለ ድሕነት ኤየር ቢኤንቢ ንፖሊስ እቲ ከባቢ ብምሕባር ግዳይ ናብ ሆቴል ከምእትውሰድ ገይሩ። እቲ ትካል ብዘይካ እቲ ዝኸፈሎ ካሕሳ፡ ግዳይ ናይ ምኽሪ ሓገዝ ክትረከብን ንወላዲታ ካብ ኣውስትራልያ ብምምጻእ ኣብ ጎድና ክትኸውን’ውን ዘድልይ ወጻኢታት ምሽፋኑ ተገሊጹ። ግዳይ ብመሰረት ዝተዋህበቶ ናይ 7 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ፡ ንትካል ኤየር ቢኤንቢ ኮነ ንወናኒ እቲ ገዛ ከም ዘይትኸስስ ብሉምበርግ ጸብጺቡ። ኣፈኛ ኤየር ቢኤንቢ፡ በን ብረይት ግና ን ኒውዮርክ ታየምስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ “ኣብ ጉዳይ ጾታዊ ዓመጻት፡ ክሳዕ ሕጂ ብዝበጻሕናዮም ምርድዳኣት፡ ግዳያት ብዛዕባ ዘጋጠሞም ብነጻነት ክዛረቡ ይኽእሉ እዮም። እዚ ነቲ ናይ ከተማ ኒውዮርክ’ውን ዝምልከት እዩ” ኢሉ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57495174"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ጸብጻብ ኣምነስቲ ኣብ ግጉይ ገምጋም ዝተመስረተ'ዩ- መንግስቲ ኢትዮጵያ","content":"ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣብ ትግራይ ንኣዋርሕ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ንዘጋጠመ ጾታዊ ዓመጽ መጽናዕቲ ብምክያድ ናብ ህዝቢ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ እቲ ሪፖርት ኣብ ግጉይ መጽናዕታዊ ጥበብ ዝተመስረተ እዩ ክብል ነቒፉዎ። እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሱዳን ብዝተኻየደ ቃለ መሕትትን ኣብ ትግራይን ንዝርከባ ግዳያትን ብሰራሕተኛታት ኣምነስቲ ካብ ርሕቀት ብዝገበሩዎ ቃለ መሕትት ዝተኣከበ ኣብ ግጉይ ኣገባብ መጽናዕቲ ዝተመስረተ ብምባል ኣብቲ ጸብጻብ ሕቶ ኣልዒሉ። እቲ ኣምነስቲ ዘውጽኦ 39 ገጻት ዘለዎ ጸብጻብ ጾታዊ ዓመጽ፡ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ እውን ሚሊሻን ፍሉይ ሓይልን ኣምሓራ ትሕቲ ዕድመን ነፍሰ ጾር ኣዴታትን ዝርከብአን ደቂ ኣንስትዮ ብምዕማጽን ብምጭዋይን ገላዩ ጾታዊ ርክብ ከም ዝገበሩወን ኣስፊሩ ኣሎ። ኣምነስቲ ካብ ለካቲት ክሳብ ሚያዝያ ኣብ ዝነበረ ኣዋርሕ፡ ኣብቲ ኵናት 1288 ግዳያት ጾታዊ ዓመጽን ግህሰትን ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ናብ ትካላት ሕክምና ብምኻድ ሪፖርት ከም ዝገበራ ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት ጥዕና ሓበሬታ ከም ዝረኸበ ጸብጺቡ ኣሎ። ኣብቲ መጽናዕቲ ቃለ መሕትት ዝተገብረለን 68 ሰባት፡ መብዛሕተን ናብ ትካላት ጥዕና ከም ዘይከዳ ብምጥቃስ፡ ቁጽሪ ናይተን ናብ ሕክምና ዝኸዳ ሰባት ንስፍሓት ናይቲ ዘጋጠመ ጾታዊ ዓመጽ ኣየርእን እዩ ክብል ጠቒሱ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብወገኑ፡ ኣብ መንነት እቶም ኣምነስቲ ነቲ ሓበሬታ ንምእካብ ተጠቒመሎም ዝበሎም ማሕበረሰባዊ ሰራሕተኛታቱ ሕቶ ኣሎኒ ይብል። እቲ መግለጺ፡ ነቲ መንግስቲ ኣሸባሪ ዝበሎ ናይ ህወሓት ሓይሊ ኣሰራርሓ ንዝተረደአ ኩሉ ሕቶ መንነት እዞም ሰራሕተኛታት ምስጢር ኣይኮነን ኢሉ። ብተወሳኺ ኣምነስቲ፡ ብድሩትን ናይ ርሕቀት ዝርርብን ምስ 63 ውልቀሰባት ዝገበሮ መርመራ ክድገፍ ብዘይክእል መልክዕ ናብ ዓሚቚ መደምደምታ በጺሑ'ሎ ይብል። እቲ ቃለ መሕትት፡ \"ኣብ ጨፍጫፍ ማይካድራ ዝተሳፈቱ ብዙሓት ምሊሻ ህወሓት ዝሰፈሩሉ ኣብ ሱዳን ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት እዩ ተኻይዱ\" ይብል። ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ነቲ ጾታዊ ዓመጽ ሸለል ኢሎሞ እዮም ዝብል ኣብቲ ሪፖርት ዝተኻተተ ክስን ዝተበጽሐ መደምደምታን ኣብ ግምት ብምእታው፡ መጽናዕቲ ኣምነስቲ ብቑዕ ብዘይምዃኑ ጉድለት ዘለዎ ይመስል ክብል'ውን ነቒፉ። ቅድሚ ሕጂ ብኣምነስት ክወጽኡ ዝጸንሑ ገለ ጸብጻባት \"ስምዒት ዘለዓዕል መጥቃዕቲ ንክፍጽምን ስም መንግስቲ ናይ ምጽላም ዘመተን ከካይድን ዝወሰነ ይመስል\" ይብል እቲ ብመንግስቲ ዝወጽአ መግለጺ። ብተወሳኺ መንግስቲ ቅድሚ ሕጂ እውን ብዛዕባ እቶም ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘለው ሓደ ሓደ ሰራሕተኛታት ኣምነስት ዘለዎም ዘይሻራዊ መርገጽን ሞያዊ ሓላፍነትን ስግኣት ከም ዘለዎ ገሊጹ ምንባሩ ብምዝካር እዚ ናይ ሕጂ ሪፖርት ከኣ ነቲ ዝጸንሐ ስግኣት ዘጠናኽር እዩ ኢሉ። ጸብጻብ ኣምነስቲ ነቲ ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት መንግስቲ ኢትዮጵያን ብሓባር ንዝገብሩዎ መርመራ ኣፍልጦ ዘይምሃቡ ኣገራሚ እዩ ይብል፥ ኣምነስቲ፡ ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ዝኾኑ ቤት ምኽሪ ጸጥታን ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ግቡእ ምርመራ ብምክያድ ንገበነኛታት ኣብ ሕጊ ንከቕርቡ ጸዊዑ ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን'ቲ ግጭት ንዝኾነ ጾታዊ ዓመጽ ዝፈጸመ ኣባል ሰራዊት ከም ዘይጻወርን ከም ዝኹንን ሓበሬታ ምሃቡ ብምዝኽኻር ካብቲ ዝተዋህቦም መምርሕን ሕግን ወጻኢ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ዝተኣመነሎም ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ንክሕተቱ መንግስቲ ኣድላይ ዝበሃል ስጉምቲ ከም ዝወስድን ይቕጽሎ ከም ዘሎን ሓቢሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዘኸትሎ ኣካላውን ማሕበራውን ስነ ልቦናዊ ጽልዋ ኣብ ግምት ብምእታው ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብምትሕብባር ነቲ ጉዳይ ክከታተሎ ከም ዝጸንሐ ኣዘኻኺሩ። ኣብቲ ግጭት በቲ ዘሕዝን ተግባር ተጠቒዐን ግዳይ ስነ ልቦናዊ ሃስያ ዝኾና ግዳያት ናይ ምምኽኻር ኣገልግሎት ይወሃብ ከም ዝነበረ ገሊጹ። ኣብ ርእሲኡ ኣብቲ ግጭት ኣጋጢሙ ንዝተባህለ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝምርምር ጉጅለ ከም ዘቖመ ኣፍሊጡ ነይሩ። ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሞም ዝተባህሉ ኣባላት ሰራዊት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከም ዝኣተው ቀዳማይ ምኒስተር ገሊጹ ነይሩ። ይኹን እምበር ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናይ ኣምነስቲ ሰራሕተኛ ፍስሃ ተኽለ፡ ብዝሒ እቶም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዮም ዝተባህሉ ሰባት ምስቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ዓመጽ ኣይነጻጸርን እዩ ይብል። ብምውሳኽ \"እቲ ጉዳይ ናይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ናይ ፍርዲ መስርሕ ዘካተተን ነተን ግዳያት ካሕሳ ነቲ ሕብረተሰብ ከኣ መምሃሪ ብዝኸውን ኣገባብ ክኸውን ነይሩዎ\" ኢሉ። \"ብተወሳኺ ኣብቲ ጸብጻብ ከም ዝተጠቕሰ ሓያሎ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብቲ ጾታዊ ዓመጽ ተሳቲፎም ነይሮም። ኣብ ልዕሊኦም ዝተወስደ ናይ ፍርዲ ጉዳይ ኣሎ'ዶ ዝብል ነገር ግልጺ ኣይኮነን። ስለዚ ከኣ ኢና እኹል ኣይኮነን\" ንብል ዘለና ክብል ፍስሃ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ኣምነስቲ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝምልከት ዘካይዶ መርመራ ፖለቲካዊ ጸግዒ ይረኣዮ እዩ ንዝብል ክሲ ፍስሃ \"ንሰብአዊ መሰል ዝምልከት መጽናዕቲ ክካይድ እንከሎ ብዝለዓለ ደረጃ እዩ ሓበሬታ ዝእከብ። ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ሰፊሕ እዩ። ይኹን እምበር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ስለ ዝወጽአ ጥራሕ ንሕና ሪፖርት ነውጽእ ኢና ማለት ኣይኮነን\" ክብል ፍስሃ ገሊጹ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/58173117"} {"headline":"ትካል ስካውት ደቂተባዕትዮ ኣመሪካ 850 ሚልዮን ዶላር ንግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ክኸፍል ተሰማሚዑ","content":"ማሕበር ስካውት ደቂተባዕትዮ ኣመሪካ(ቢ-ኤስ-ኤ)፡ ካብ ኣስታት 60 ሽሕ ሰባት ዝቐረበሉ ክሲታት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ንምዕራፍ፡ 850 ሚልን ዶላር ክኸፍል ተሰማሚዑ፡፡ እቲ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ደጋዊ ምንቅስቓሳት ክነጥፉን ክሳተፉን ዘተባብዕን ዘሰልጥንን ትካል፡ ምስ ጾታዊ ዓመጽ ብዝተሓሓዝ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ዝለዓለ መጠን ገንዘብ ዝኸፍል ዘሎ ትካል ከምዝኾነ ጠበቓታት ገሊጾም፡፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ትካል ዝቐረበ ክሲ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣመሪካ ዝቐረበ ተመሳሳሊ ክሲ እንትነጻጸር ኣዐርዩ ዝተጋነነ እዩ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንተበደልቲ ይቕረታ ዝሓተተ ‘ቦይስ ስካውት ኣመሪካ’ ኪሳራ ከምዘጋጠሞ ሓቢሩ ነይሩ፡፡ ኣብ 2012 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ፡ ጋዜጣ ሎስ ኣንጀለስ ታይምስ፡ ኣብ ልዕሊ ሓለፍትን መራሕትን ስካውት ዝቐረቡ ኣስታት 5 ሽሕ ክሲታት ኣቃሊዑ ነይሩ፡፡ ዝበዝሑ ካብቶም ናይ ዓመጽ ፍጻሜታት ግን ናብ ፖሊስ ኣይቀረቡን፡፡ እቲ ካብ ዝጣየሽ 111 ዓመት ዘቑጸረ ትካል፡ እቲ ስምምዕ ኣካል እቲ ‘‘ ነቶም ግዳያት ብፍትሓዊ ደረጃ ንምኽሓስን ቀጻልነት ስካውት ንምርግጋጽን ዝግበር ጻዕሪ’’ ከምዝኾነ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ፡፡ እቲ ክፍሊት ብዳያኑ ክጸድቕ ዘለዎ ኮይኑ፡ ነቲ ክፍሊት ክፍጽሙ ትጽቢት ዝግበረሎም ትካላት ውሕስና (ኢንሹራንስ) ግን ክቃወሙዎ ክምዝኽእሉ ይግመት፡፡ ካብቶም ንግዳያት ወኪሎም ዝከራኸሩ ጠበቓታት ሓደ ዝኾነ ኬን ሮትዊለር፡ እቲ ትካል ነቶም ግዳያት ንምኽሓስ ቀዳምነት ምውሰዱ ከምዘሐጎሶ ገሊጹ፡፡ በቲ ካሕሳ ንመዓታት ጾታዊ ዓመጽ ዝተፈጸሞም ገለ ደቂተባዕትዮ ቁሩብ ገንዘብ ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ዝገልጽ ካልእ ጠበቓ ግና ‘‘ነቶም ድፍረት ረኺቦም ክሲ ዝመስረቱን ኣብቲ ከይዲ ዝተሳተፉን ደቂተባዕትዮ ጸርፊ እዩ’’ ኢሉ፡፡ ገሊኦም ነቲ ክፍሊት ውሕስና ዝፍጽሙ ትካላት ድማ እቲ ተኸሳሲ ትካል ኣብቲ ድርድር ኣይሓወሰናን ክብሉ ከሲሶም ኣለዉ፡፡","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57699370"} {"headline":"ኣብ ሊብያ ስደተኛታት ኣብ ዘሰክፍ ኩነታት ከም ዝርከቡ ተገሊጹ","content":"ኣብ ሊብያ ብሓይልታት መንግስቲ ተገፊፎም ዝተኣሰሩ ስደተኛታት ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት ከምዘለዉ ሰራሕተኛታት ረድኤት ገሊጾም፡፡ ኤጀንሲ ዶብ ኣልቦ ሓካይም ዝተባህለ ገባሪ ሰናይ፡ ሰራሕተኛታቱ ብስደተኛታት ኣብ ዝተጻበቡ ኣብያተ ማእሰርቲ ደቂ ተባዕትዮ ጠጠው ክብሉ ተገዲዶም ከምዝረኣዩን ገሊኦም እውን ንመዓልቲታት እኽሊ ከምዘይለኸፉ ከምዝተዛረብዎምን ሓቢሩ፡፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሊብያ ትሪፖሊ ኣብ ቀረባ መዓልቲታት ብወሑድ ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ስደተኛታት ተኣሲሮም እዮም፡፡ ኣብ ካልእ መዳጎኒ ማእከል'ውን ሓያል ጎንጺ ዘስዓበ ናይ ምህዳም ፈተነ ከም ዝነበረ እቶም ሰራሕተኛታት ረድኤት ከም ዝርኣዩ ሓቢሮም። እቶም ስደተኛታት ማህረምትን ጾታዊ ዓመጽን ክበጽሖም እንከሎ ሓደ ስደተኛ ከምዝሞተ'ውን ተረጋጊጹ። ሰብ መዚ ሊብያ፡ እቲ ማእሰርቲ ዘይሕጋዊ ስደትን ምዝውዋር እጸ ፋርስን ዒላማ ዝገበረ'ዩ ኢሎም። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ ኣብ ሊብያ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝውሰድ ዘሎ ማዕበላዊ ኣደራዕ ኮኒኑ እዩ። እዞም ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ዝፈተኑን ኣብ ጀልባ እናሃለው በቶም ሓለውቲ ገምገም ባሕሪ ሊቢያ ከም ዝተትሓዙን ተገሊጹ ነይሩ። እቶም 500 ስደተኛታት ኣብ ሓንቲ ጃልባ ተጸቓቒጦም ዝነበሩ ኮይኖም ካልእ 50 ሰባት ዝሓዘት ጃልባ ድማ ኣብ ማእከል ባሕሪ ሞተራ ተበላሺዩ ተታሒዛ። ኤጀንሲ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቶም ስደተኛታት ካብ ባንግላድሽ፣ ሶማሊያ፣ ሱዳንን ሶሪያን ዝመጽኡ'ዮም ኢሉ። ሊቢያ ካብ 2011 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ጀሚሩ ኣብ ዕግርግር እትርከብ ሃገር እኳ እንተኾነት ክሳብ ሕጂ መብዛሕትኦም ካብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ዝመጽኡ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ዝፍትኑላ ሃገር'ያ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58825436"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ተጋሩ ግዳይ መጥቃዕትን ዘመተን ከም ዝኾኑ ይዛረቡ","content":"ኣብዚ እዋን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከቡ ከተማታት ሑመራ፣ ኣደባይ፣ እድሪስ፣ ወረዳ ቃፍታ ሑመራን ቁሸት ደጓጉምን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዘቕንዐ ፆታዊ ዓመፅ፣ ዝምታ፡ ጃምላዊ ማእሰርትን ቅትለትን ይፍፀም ከምዘሎ ግዳያት ንቢቢሲ ገሊጾም። እዚ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዳግማይ ዝጀመረ ሓድሽ መጥቃዕቲ ከም ዝኾነ ብምሕባር ህይወቶም ንምድሓን ኣብ ፎቖዶ በዓቲ ተሓቢኦም ከም ዘለዉ ተዛሪቦም። ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ድሕነትን ክልል ኣምሓራ ዶክተር ሰማ ጥሩነህ፡ \"ኣብቲ ዝብሃል ዘሎ ከባቢ ፀገም በፂሑኒ ኢሉ ናብ ቢሮይ ሪፖርት ዝገበረ ዋላ ሓደ ተዛራቢ ትግርኛ የለን። ኣነ ኣብ ዘመሓድሮ ከባቢ ዝነብር ዝኾነ ይኹን ሰብ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ይኹን ፀገም ከይበፀሖ ክነብር ምግባር ከኣ ናተይ ስራሕ'ዩ\" ብምባል ነቶም ዝቐርቡ ዘለዉ ክስታት ነፂጉ። ኣብ ጎኒ ሰራዊት መንግስቲ ፌደራል ተሰሊፎም ኣንፃር ሰራዊት ትግራይ ክዋግኡ ዝፀንሑ፡ ፍሉይ ሓይልን ሚሊሻን ኣምሓራ፣ ዕጡቓት ፋኖን ሰራዊት ኤርትራን ንምዕራብ ትግራይ ተቖፃፂሮምዎ ከም ዘለው ይፍለጥ። ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝርከብ መስመር ሑመራ መንግስቲ ክልል ትግራይ ምስ ወጻኢ ዓለም ዝራኸበላ ሓንቲ መስመር ብምዃና መንግስቲ ፈደራል ኮነ ዕጡቓት ክልል ኣምሓራን ኣብ ኵናት ትግራይ መሻርኽቲ ሰራዊት ፈደራል ኮይኑ ዝፀንሐ ሰራዊት ኤርትራ ንሰራዊት ትግራይ ትንፋስ ንምኽላእ እዛ ስትራቴጂካዊት ቦታ ኣብ ትሕቲ ሓያል ቁፅፅርር ከም ዘላ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ሰራዊት ፈደራል 'ብበይናዊ ናይ ተዂሲ ደው ምባል' ውሳነ ካብ ትግራይ ሰራዊቱ ክስሕብ ምስ ተገደደ፡ ቅድሚ እቲ ኵናት ምጅማሩ ኣብ ትሕቲ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ክመሓደር ዝፀንሐ ከተማ ሑመራ ዝርከቦም ከባቢታት ምዕራብ ትግራይ ዛጊድ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እቶም ሓይልታት ይርከብ። እቲ ኵናት ምስ ኣጋጠመ ፍሉይ ሓይልን ሚሊሻን ኣምሓራን ከምኡ'ውን ዕጡቓት ፋኖ 'ቀደም ብሓይሊ ተወሲዱና ዝነበረ መሬት ብሓይሊ ኣምሊስናዮ ኣለና' ብምባል ነቲ መሬት ክሳብ መወዳእታ ክንዋደቐሉ ኢና ክብሉ ፀኒሖም። ካብ ትግራይ ናብ ዶባቱ ስሒቡ ዝፀንሐ ሰራዊት ኤርትራ'ውን ኣብዚ እዋን ተመሊሱ ናብቲ ከባቢ ይኣቱ ምህላው፡ ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ኣብ ሓባራዊ መግለጾኦም ብምሕባር እቲ ሰራዊት ብቕልጡፍ ናብ ቦትኡ ክምለስ ተማሕጺኖም። ኣብ ምዕራብ ትግራይ እንታይ'ዩ ዘጋጥም ዘሎ? ንዝሓለፈ 18 ዓመታት ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ቁሸት ደጓጉም ክነብራ ዝፀንሓ ወይዘሮ ኣብርሀት፡ ካብ ዝሓለፈ 16 ሓምለ 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ነበርቲ እታ ቁሸት መጥቃዕቲ ይፍፀም ኣሎ ኢለን። ገንዘበንን ንብረተንን ብዕጡቓት ፋኖ ስለ ዝተዘምተ ድማ ህይወተን ንምድሓን፡ ክዳን ለይቲ እኳ ከይሓዛ ሓሙሽተ ርእሰን [ምስ ደቀንን ደቂ ጓለንን] ኣብ በዓቲ ይነብራ ምህላወንን ንቢቢሲ ሓቢረን። \"ንቡን ዝበልክወን ኣብ መቐነተይ ዝነበራ ሳንቲም ሂበዮም፣ ንብረት ገዛይ'ውን ወሪሶሞ። ክልተ ደቀይን ክልተ ደቂ ጓለይን ሒዘ ኣብ በዓቲ ይነብር ኣለኹ\" ኢለን። ንሰን፡ ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ንብረትን ጥሪትን ኣብ ዓውዲ ዝነበረ ህዝቢ እቲ ከባቢን ከም ዝተዘምተ ኣብዚ ወርሒ ሓምለ ከኣ ሓድሽ ዝምታን መጥቃዕትን ከም ዝጀመረ ይዛረባ። ወዲ 58 ዓመት ሽማግለ-ዓዲ ከተማ ኣደባይ ኣይተ ኣብርሃ እቲ ኩናት ካብ ዝጅመር ክሳብ ሕዚ ን10 ወርሒ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ እታ ከተማ ግህሰት ከም ዝተፈፀመ፡ ብፍላይ ካብ 21 ሓምለ ንደሓር ዕጡቓት ፋኖ፡ ኣፈሙዝ ናብ እዝንን ኣፍን ኣዴታት እናቕንዑ 'ቅርሺ ኣምፅኣ፤ ወርቅኽን ኣምፅኣ' እናበሉ ብሓይሊ ይዘምትዎ ከም ዘለው ይዛረቡ። \"ወርቅኺ ኣብ ብሑቕ ሓቢእኽዮ ትኾኒ እናበሉ ብሑቐን ይግልብጡዎ። ገንዘብ ወሲዶም እውን ንኣንስትናን ኣሕዋትናን ርእሰን ላፅዮመን'' ኢሎም። ኣይተ ኣብርሃ ንርእሶም'ውን ግዳይ ዝምታን መውቃዕትን ከም ዝኾኑ ክዛረቡ እንከለው፡ ሓሙሽተ ዕጡቓት ኣብ ቅደሚ ሓራስ በዓልቲ ቤቶም ኢዶም ኩርንኩሪት ኣሲሮም ምስ እግሮም ኣላጊቦም ከም ዝቐጥቀጡዎምን ገንዘቦም ከም ዝወሰዱሎም ሓቢሮም። እቲ ዘጋጠሞም ንምምሕዳር እቲ ከባቢ'ኳ እንተሓበሩ ፍታሕ ከም ዘይረኸቡ ይገልፁ። ቀሺ ሃይላይ ዝተባህሉ ካልእ ነባሪ እታ ከተማ እውን ጥሪቶምን 50 ሽሕ ገንዘብ ከም ዝተዘምቱን ኣብ ከተማ ሑመራ ንሓሙሽተ መዓልታት ከም ዝተኣሰሩን ብምሕባር፡ ሰብ ንብረቱ እናተዘምተ ይቕተልን ይእሰርን ከም ዘሎ፡ ካብታ ቦታ ክወፅኡ እንተደለዩ እውን ዕጡቓት ኣምሓራ ከምዝኽልክሉዎም ሓቢሮም። ድሃይ ደቆም ክገብሩ ናብ ቢሮ ምምሕዳር ምስ ከዱ \"እቶም ዕጡቓት ፋኖ፡ 'ንዓኻ ኢና ደሊና'ምበር ቖልዑ ደኣ እንታይ ኢልናዮም' ኢሎም ቀጥቂጦምኒ። ኣብ ጁባይ ዝነበረ 5500 ብርን ሞባይልን ብምውሳድ ካድረ ኢኻ 'ቅርሺ ኣምፅአልና ኢሉ ሓደ ካብኦም፡ ብካራ ክሓርደኒ ምስ በለ፡ እቲ ሓደ 'በቃ ግደፎ' ኢሉ ኩሩንኩሪት ኣሲሮም ዓስራይ ርእሰይ ካብ ኣደባይ፡ ናብ ሑመራ ሒዞምና ከይዶም'' ይብሉ። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ፡ ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ 18 ሰባት፡ ጥራሕ ነብሶም ኩሩንኩሪት ተኣሲሮም ከም ዝተወሰዱን፡ እቲ ሓላፊ መፂኡ ገንዘብ እንተዘይከፊልካ ንዐኦም ዝረኸበት ክትረኽበካ እያ ምስበሎም ተለቓቒሖም ኣስታት 200 ሽሕ ብር ከፊሎም ከምዝወፅኡ እቶም መራሒ ሃይማኖት ይሕብሩ። ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ድሕነትን ክልል ኣምሓራ ዶክተር ሰማ ጥሩነህ፡ \"ብክልል ኣምሓራ ዝተትሓዘ ምዕራብ ትግራይ ዝብሃል ከባቢ ኣይፈልጥን\" ብምባል ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ተጋሩ ዝበፅሐ መጥቃዕቲ ሓበሬታ ከም ዘይብሉ ንቢቢሲ ገሊፁ። \"ብመንነተይ ምኽንያት ተዘሚተ፣ ጸገም በጺሑኒ ዝብል ሰብ እንተሃልዩ ናባይ መጺኡ የመልክት፤ ሕጊ ብዝፈቕዶ መሰረት ክነፃርዮን ስጉምቲ ክንወስድን ኢና። ክሳብ ሕጂ ግን ኣብዚ ጉዳይ ዝቐረበለይ መረዳእታ ወይ ክሲ የለን\" ከኣ ኢሉ። ኣብ ከተማታት ሑመራ፤ እድሪስን ኣደባይን'ውን ብጅምላ ዝተኣሰሩ ተጋሩ ከም ዘለው፣ ደቅናን ኣንስትናን ፆታዊ ዓመፅን የጋጥመን ንብረትና'ውን ይዝመት ኣሎ፣ ካብቲ ዝመፅእ ዘሎ ረድኤት እውን ኣይንወሃብን ዝብሉ ተጋሩ ብዙሓት እዮም። ነባሪ ኣደባይ ኣይተ ሓጎስ፡ \"ኣብታ ከተማ ህዝቢ ብዙሕ ስቓያት ይበፅሖ ኣሎ። ንሃፋትም ቀቲሎም፡ ገለ ሃፋትም ድማ ብሂወት ናብቲ ዝሞተ ሬሳ ወሲዶም፡ ክሳብ 300 ሽሕ እንተዘይኸፊልኩም ከምዚኦም ክንቀትለኩም ኢና እናበሉ የፈራርሕዎም\" ኢሉ። ከምዚኦም ዓይነት 'መጥቃዕትታት' ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ከም ዝነበረ'ኳ እንተተገልፀ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ \"ሓድሽ ወፍሪ መጥቃዕቲ\" ከም ዝኾነ ነበርቲ እታ ከተማ ንቢቢሲ ገሊፆም። ነዚ ፀገሞም ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ምምሕዳር ስለ ዘይሰምዖም፡ ኣብኡ ንዝርከቡ ሰራዊት ኤርትራ ከም ዝሓበርሎምን፡ እቲ ፀገም ንምፍታሕ እንትፍትኑ ዕጡቓት ክልል ኣምሓራ \"ኣይምልከተኩምን\" ከም ዝበሉዎም ተዛሪቦም። እንተኾነ: ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ድሕነትን ክልል ኣምሓራ ዶክተር ሰማ ጥሩነህ፡ ኣብቶም ዝተጠቕሱ ከባብታት ከምዚ ዓይነት ግፍዕታት ተፈፂሞም ዝብል ሓበሬታ ጌጋ ምዃኑን ናብ ቤት ፅሕፈቱ ዘመልከተ ከም ዘየለ ሓቢሩ። \"ህዝቢ ትግራይ ኣብ ወልቃይትን ሑመራን ጥራሕ ኣይኮነን ዝነብር፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ጎንደርን ባህርዳርን'ውን ይነብር እዩ\" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። \"ፀልሚቱና\"- ግዳያት ዘመተን ፆታዊ ዓመፅን ጓል 14 ዓመት ነባሪት ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ቤተልሄም ብ19 ሓምለ ብሰለስተ ተዛረብቲ ኣምሓርኛ ከም ዝተዓመፀት ገሊጻ። ወለዳ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ኣብ ፅርግያ ወዲቓ ምስ ፀንሐቶም ከም ዘልዓሉዋን ሕዚ ክትንቀሳቐስ ከም ዘይትኽእልን ሕክምና'ውን ከም ዘይረኸበት ትሕብር። ካልኦት ብዙሓት እውን ተመሳሳሊ ዓመፅን ስቅያትን ከም ዘጋጠመን ይሕብራ። ነባሪ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣይተ *በሪሁ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ትሕቲ ዕድመ ጓል ጓሎም ከም ዝተዓመፀት ንቢቢሲ ይገልፁ። \"19 ሓምለ ምሸት ከባቢ ሰዓት ኣርባዕተ፡ መጀመርያ ገንዘብ ኣምፅኡ ኢሎም ዶግዲጎምና። ገንዘብ ስለ ዘይነበረ ንብረት፣ [ሞባይላትን ሶላራትን] ንብረተይ ብኣግማለይ ፅዒኖም ወሲዶሞ። ምስ ስድራይ ኣብ ገዛ እናሃለና ንዓይን ንበዓልቲ ገዛይን ወቒዖም፡ ንኣዲኣ'ውን ወቒዖም ኢዳ ሰይሮምዋ። ካብ ገዛ ኣውፂኦም ደርብዮምና፤ ካብኡ ጓል 15 ዓመት ጓል ጓለይ ዓሚፆምለይ\" ብምባል እቲ ዝበፅሖም ግፍዒ ንምግላፁ ከም ዝኸብዶም ይገልፁ። ድሕሪ እዚ ኣይተ በሪሁ፡ ምስ ሸውዓተ ስድርኦም ሂወቶም ንምድሓን ናብ በረኻታት ክሃድሙ ግድን ከም ዝኾኖም ይዛረቡ። ካልእቲ ነባሪት ቃፍታ ሑመራ ጓል 23 ዓመት ንእስቲ ኪሮስ ብ19 ሓምለ ጀሚራ ካብ ፆታዊ ዓመጽ ሃዲማ ህይወታ ንምድሓን ኣብ ጣሻታት ዝተዓቖበት እያ። ኣርባዕተ ዕጡቓትን ሲቪል ዝተኸድኑን ውልቀሰባት ናብ መንበሪ ገዝኣ መፂኦም 'ገንዘብ ኣምፅኢ' ኢሎም ከም ዝወቕዕወን እውን ጠቒሳ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ወተሃደራት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሚሊሻታት ኣምሓራን ኣብ ነፍሰ ፆራትን ትሕቲ ዕድመን ከይተረፈ ፆታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝፈፀሙ ገሊፁ ነይሩ። እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣገባብ ኣተኣኻኽባ ሓበሬታ እቲ ኣብ መዓስከራት ሱዳን ዝተኻየደ መፅናዕትን ፀብፃብን ሚዛኑ ዘይሓለወን ዝተጋነነን ምስሊ ዝሃበን እዩ ክብል ተቓዊሙዎ ነይሩ። ሕቡራት ሃገራትን ምዕራባውያን ሃገራትን፡ ኣብ ኲናት ትግራይ ፆታዊ መጥቃዕትን ምናልባት ከም ገበን ኲናት ክረኣዩ ዝኽእሉ ከበደቲ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝተፈፀሙ ክገልፁ ፀኒሖም'ዮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን እቲ ክስታት 'ፃዕዳ ሕሶት'ዩ' ኢዩ ብምንፃግ፡ ሓይልታት ኣምሓራ ካብ ምዕራብ ትግራይ ይውፅኡ ንዝብል ፃውዒት 'እዚ ውሽጣዊ ጉዳያት' ክብል ይምጉት። ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ'ውን ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ፀለመ ምዃኑ እዩ ዝገልፅ። ብምኽንያት ኲናት ትግራይ፡ ብሚልዪናት ዝኣኽሉ ሰባት ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ክመዛበሉ እንከለው፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ዝኾኑ ድማ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ይርከቡ። *ቢቢሲ፡ ኣስማት ናይቶም ኣብዚ ዛንታ ዝተፀርሑ ሰባት ንድሕነቶም ክብል ከም ዝቐየሮ ይሕብር።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58429607"} {"headline":"ኒኪ ሚናጅን በዓል ቤታን ብግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ተኸሲሶም","content":"ኒኪ ሚኒናጅን በዓል ቤታ ኬኔት ፔቲን ቅድሚ 27 ዓመት ክዕምጻ ብዝፈተነ ጓል ኣንስተይቲ ተኸሲሶም። እዛ ጓል 43 ዓመት፡ እቶም መጻምዲ ነቲ ክሲ ጠጠው ከተብሎ ጸቕጥታት ከብጽሑላ ከም ዝጸንሑ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ጸብጺቡ። ፔቲን፡ ኣብቲ ግዜ ትሕቲ ዕድመ ዝነበረት ጓል-ኣንስተይቲ ክትዕምጻ ፈቲንካ ተባሂሉ [ብ1994 ዓ.ም ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ገበነኛ ኮይኑ ከኣ ስለዝተረኽበ ንኣርባዕተ ዓመት ተኣሲሩ'ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከኣ ጾታዊ ዓመጽ ብምብጻሕ ብዘይምምዝጋቡ ተኣሲሩ። እቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ኒውዮርክ ተኸፊቱ ዘሎ መዝገብ ክሲ፡ እታ ግዳይ እቲ ኣብ ልዕሊ በዓል ቤታ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ ንክትገድፎ ኒኪ ሚናጅ ብሞንጎኛ ሰብ ኣቢላ 500 ሽሕ ዶላር ገንዘብ ከም ዘቕረበትላ ይገልጽ። ብተወሳኺ፡ ፒቲ ብ2020 ምስ ተኣሰረ እቲ ሞንጎኛ ሰብ ቑጽሪ ቴሌፎን እታ ኸሳሲት ንሚናጅ ሂቡዋ። ኣብዚ ግዜ \"ክትሕግዞም\" እንተኽኢላ ንሳን ስድርኣን ናብ ሎስ ኣንጅለስ ከግዕዙዎም ከም ዝኽእሉ ተዛሪባታ። እንተኾነ እታ ከሳሲት ነዚ ኹሉ ነጺጋቶ ይብል እቲ መዝገብ ክሲ። \"ክልቲኤና ከም ደቂ ኣንስትዮ እዚ ጉዳይ ከም ዘጋጠመ ክትፈልጢ'የ ዝደሊ\" ከም ዝበለታ ድማ ይሕብር። እታ ጓል ኣንስተይቲ ዝቐረበላ ገንዘብን ካልእን ምስ ነጸገት ድሕሪ ሒደት መዓልታት ንሳን ስድርኣን \"ብዝርብሹዋ ጻውዒታት ስልክን ዘይትደልዮም ናይ ገዛ ምብጽሕ መጥቃዕቲ በጺሑና\" ትብል። እታ ጓል ኣንስተይቲ፡ ካብዞም ፍሉጣት ሰባትን ፈተውቶምን ብዝበጽሓ ጸቕጢ ብዝተኣሳሰር \"ብምኽንያት ከቢድ ጭንቀት፣ ቐጻሊ ትንኮያን ምፍርራሕን ከምኡ'ውን ምብህራር\" ካብ ወርሒ ግንቦት 2020 ስርሓ ክትሰርሕ ከም ዘይኽኣለት ትገልጽ። እቲ መዝገብ ክሲ መጠን ካሕሳ እኳ ግልጺ እንተዘይገበረ፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ግን ሕነ ምፍዳይ ሰጊኣ ተሓቢኣ ከም ዘላ ሓቢራ። እቶም መጻምዲ ግን ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ጉዳይ ዝሃቡዎ ርኢይቶ የለን። ራፐር ሚናጅን በዓል ቤታ ፔቲን ኣብ 2018 ከምዝተራኸቡን ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ ሓዳር ከም ዝመስረቱ ይፍለጥ። ሕጂ ናይ 11 ወርሒ ቖልዓ ኣለዎም።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58212622"} {"headline":"ኣብ ኣመሪካ ፊላደልፍያ፡ ኣብ ውሽጢ ባቡር ኣብ ቅድሚ ተሳፈርቲ ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ የዘራርብ ኣሎ","content":"ኣኽባሪ ሕጊ ፊላደልፍያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጉዕዞ ኣብ ዝነበረት ባቡር ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ርእዮም ንፖሊስ ዘይሓበሩ ተሳፈርቲ ዘኽስስ ሕጊ ከምዘይብሎም ገሊጹ። ሰብ መዚ መጓዓዝያ፤ እቶም ተሳፈርቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ጾታዊ ዓመጽ እናተፈጸመ ነታ ትዕመጽ ዝነበረት ጓል ንምግልጋል ዝኾነ ነገር ከምዘይገበሩ ኣብ 'ሲሲቲቪ' ናይታ ባቡር ዘሎ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ከምዘርኢ ሓቢሮም። ፖሊስ ኣቐዲም ኣቢሉ፡ እቶም እቲ ዓመጽ እናተፈጸመ ብሞባይሎም ነቲ ዓመጽ ዝስእሉ ዝነበሩ ውልቀሰባት ክሲ ክምስረቶም ከምዝኽእል ገሊጹ ነይሩ እዩ። እቲ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ውሽጢ ብደቡብ ምብራቕ ፐንሰልቪንያ ትውነን ባቡር እዩ ኣጋጢሙ። ሰብ መዚ እቲ መንገዲ ባቡር ሓደ ካብቶም ተሳፋሮ ናብ 911 [ኣብ ኣመሪካ ካብ ፖሊስ ሓገዝ ንምርካብ ዝድውሎ ቁጽሪ] እንተዝድውል እቲ ጾታዊ ዓመጽ ክውገድ ይኽእል ምንባሩ ገሊጾም። ሓደ ድሒሩ ነቲ ተግባር ዝተዓዘበ ሰራሕተኛ እታ ባቡር ናብ ፖሊስ ድሕሪ ምድዋሉ'ዩ እቲ ነቲ ጾታዊ ዓመጽ ዝፈጸመ ውልቀ ሰብ ኣብ ትሕሪ ቀይዲ ክኣቱ ክኢሉ። እቲ ነቲ ጾታዊ ዓመጽ ዝፈጸመ ፊሾን ንጎይ ዝተብሃል ወዲ 35 ዓመት ጾታዊ ዓመጽን ካልእ ክስታትን ተመስሪትዎ ኣሎ። እቲ ጾታዊ ዓመጽ ዝተፈጸማ ውልቀሰብ ናብ ሆስፒታል ድሕሪ ምውሳዳ ምስ ፖሊስ ኣብ ምትሕብባር ትርከብ። ፖሊስ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ን40 ደቓይቕ እናተጋፈዐትን እናተዓመጸትን ሓደ ካብቶም ተሳፈርቲ ንፖሊስ ክድውል ዘይምኽኣሉ ኣዝዩ ከምዘሕዘኖ ገሊጹ። እቲ ጾታዊ ዓመጽ እናተፈጸመ ኣብታ ባቡር ክንደይ ዝኾኑ ሰባት ከምዝነበሩ ፖሊስ ኣይሓበረን። ፖሊስ ብምስዓብ፡ እቲ ጾታዊ ዓመጽ እናተፈጸመ ክንደይ ካብቶም ኣብታ ባቡር ዝነበሩ ነቲ ተግባር ብሞባይሎም ከምዝሰኣልዎ የጻርዮ ከምዘሎ ገሊጹ።. ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊስ ደቡብ ምብራቕ ፐንሰልቪንያ ቶማስ ነስትል \"ብዙሓት ሰባት ሞባይሎም ናብታ ትዕመጽ ዝነበረት ገጾም ገይሮማ ነይሮም'ዮም\" ድሕሪ ምባል \"ንሕና ዝኾነ ሰብ ብኸምዚ ዓይነት ተግባራት ክቁጣዕን ክጽየፍን ካብኡ ሓሊፉ ኸኣ ሓገዙ ከበርክት ኢና ንደሊ\" ኢሉ። እቶም ነቲ ጾታዊ ዓመጽ ብሞባይሎም ዝሰኣሉ ሰባት ክሲ ክምስረቶም ከምዝኽእል ፖሊስ ምሕባሩ ኒው ዮርክ ታይምስ ኣብ ገጻቱ ኣስፊሩ። ውሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ፐንሰልቪንያ፡ እቶም ነቲ ጾታዊ ዓመጽ ተዓዚቦም ንፖሊስ ዘይሓበሩ እንታይ ዓይነት ክሲ ከም ዝምስረቶም ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ \"ኣብዚ እዋን ኣብ ልዕሊ እቶም ተሳፈርቲ ክሲ ከምስርት ዝኽእል ሕጊ የብልናን\" ኢሉ። ናይ ፌድራል ኣኽባሪ ሕጊ ዝነበረ ፕሮፌሰር ዩኒቨርስቲ ዌስትርን ሪዘርቭ ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ኬቨን ማክሙንጋል፡ ኣብ ኣመሪካ ንገበን ዝተዓዘቡ ክሕብሩ ኮነ ንምግልጋል ኢዶም ክሕውሱ ዘገድድ ሕጊ የለን ኢሉ። ፕሮፌሰር ኬቨን ማክሙንጋል ንኸምዚ ዘገድድ 'ፍሉይ' ነገር ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ወለዲ፤ መምሃራን፤ ሞግዚትን ፖሊስን ምስ ዝኾኑ ጥራይ ከገላግሉን ንፖሊስ ክሕብሩን ከምዝግደዱ ገሊጹ። ፕሮፌሰር ኬቨን ማክሙንጋል ብምስዓብ ካብዚ ኣብ ፊላደልፍያ ዘጋጥመ ኣብ ቅድሚ ተሳፈርቲ ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ሳሕቲ ዘጋጥም ስለዝኾነ ንኽምዚ ዓይነት ዝርኢ ሕጊ ምንዳፍን ነቲ ዘሎ ሕጊ ምኽላስን ከምዘድሊ ገሊጹ። \"እቲ ቀንዲ ብውሕዱ ክግበር ዝነበሮ ኢልካ ኣተክሮ ትህቦ ከመይ ኢሉ ካብዞም ኩሎም ተሳፈርቲ ሓደ ናብ 911 ዝድውል ይስኣን ዝብል እዩ\" ይብል ፕሮፌሰር ኬቨን ማክሙንጋል። ኣብ ዩኒቨርስቲ ሚያሚ ፕሮፌሰር ሕጊ ዝኾነት ታማራ ራይስ፡ ነቶም ተሳፈርቲ ምኽሳስ ዘይመስል እኳ እንተኾነ ክኽሰስሉ ዝኽእልሉ ነጥቢታት ከምዘሎ ትገልጽ \" ኣኽበርቲ ሕጊ ነቶም እቲ ጾታዊ ዓመጽ እናተፈጸመ ብሞባይሎም ዝስእሉ ዝነበሩ፡ ክኸስዎም እኹል ባይታ ኣለዎም ምኽንያቱ እቲ ተግባሮም ኣብ ልዕሊ እታ ተዓማጺት ዘሕደሮ ጸቅጥን ነቲ ገበነኛ ኣብ ምትብባዕን ተራ ነይርዎ እዩ\" ኢላ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58991442"} {"headline":"ተሓጋጋዚት ኣመሓዳሪ ኒውዮርክ ብሰንኪ ጾታዊ መጥቃዕቲ ካብ መዝነታ ወሪዳ","content":"ላዕለወይቲ ተሓጋጋዚት ኣመሓዳሪ ኒውዮርክ ኣንድሪው ኩዋሞ ብምኽንያት ሓለቕኣ ዝኽሰሰሉ ዘሎ ጾታዊ መጥቃዕታ ካብ መዝነታ ወሪዳ። ጸሓፊት መሊሳ ዲሮሳ ትማሊ ሰንበት ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ከም ዝወረደት ክትገልጽ እንከላ፡ ንህዝቢ ኒውዮርክ ምግልጋል ግን \"ኣብ ህይወተይ እቲ ዝዓበየ ክብሪ ነይሩ\" ኢላ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወጽአ ጸብጻበ፡ ኣንድሪው ኩዋሞ ኣብ ልዕሊ 11 ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ የመልክት። ንሱ እቶም ዝቐረብሉ ክስታት ኣይውዓልኩዎምን ኢሉ ክነጽጎም እንከሎ፡ ዋላ'ውን ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ካብ መዝነቱ ክወርድ እንተሓተተ ኣብ ስርሑ ከም ዝቕጽል ተዛሪቡ። ዓቃቢ ሕጊ እታ ግዝኣት ላቲታ ጄምስ ዘውጽኣቶ ጸብጻብ እቲ ኣመሓዳሪ ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙን ሕጊ ፌደራል ኣመሪካ ጥሒሱን'ዩ ይብል። ጸሓፊቱ ዲሮሳ ኣብቲ 168 ገጽ ዘለዎ ጸብጻብ ሽማ 187 ግዜ ክርቋሕ እንከሎ፡ እቲ ኣመሓዳሪ ንዝፈጸሞም ተግባራት ንምሽፍፋን ብምፍታንን ንሓንቲ ካብ ከሰስቱ ሕነ ብምፍዳይን ትኽሰስ። ኣብቲ ትማሊ ዘውጽኣቶ መግለጺ ግን ብዛዕባ እዚ ዝሃበቶ ርኢይቶ የለን። \"ብውልቀይ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ስነ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ኩነታት ክሰግር ጽዒረ'የ፤ ምስ ኣዝዮም ሙኩራት ብጾት ንሃገረይ ከገልግል ምኽኣለይ ግን ዕድለኛ'የ\" ኢላ። መርመርቲ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፡ ሰራሕተኛታትን ገለ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣመሓዳሪ ተቓውሞ ዘልዓላን ሓዊሱ ንኣስታት 200 ሰባት ብምዝርራብ ከምኡ'ውን ዓሰርታት ኣሽሓት ሰነዳት፣ ናይ ጽሑፍ መልእኽታትን ምስልታትን ተጠቒሞም'ዮም መርመራ ከካይዱ ጸኒሖም። እቲ ጸብጻብ ምስ ወጽአ ከኣ ፕሬዝደንት ባይደን ኣመሓዳሪ ኩዋሞ ካብ መዝነቱ ክወርድ ሓቲቱ። ሎሚ መዓልቲ ኮሚቴ ኣካላት ፍትሒ ኒውዮርክ፡ ኣንድሪው ክዋሞ ካብ መዝነቱ ብክሲ ንክእለ ክሲ ናይ ምምስራት መስርሓት ንምጅማር ክራኸብ'ዩ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58142472"} {"headline":"ዓሊባባ ብጾታዊ ዓመጽ ንዝተኸሰሰ ኣካያዲ ስራሕ ክሰጉግ'ዩ","content":"ጎብለል ቴክኖሎጂ ቻይና ዝኾነ ዓሊባባ፡ ብጾታዊ መጥቃዕቲ ዝተጠርጠረ ኣካያዲ ስራሕ ካብ ስራሑ ክስጎግ ምዃኑ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሰነድ ተመልኪቱ። ላዕለዋይ ሓላፊ ናይቲ ኩባንያ ዳንኤል ዣንግ ናብ ሰራሕተኛታት እቲ ኩባንያ ኣብ ዝልኣኾ ደብዳበ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉዳይ ስጉምቲ ዘይወሰዱ ካልኦት ክልተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ብገዛእ ፍቓዶም ስርሖም ከም ገደፉ ኣምልኪቱ። ዓሊባባ፡ ሓንቲ ሰራሕተኝኡ ላዕለዋይ ሓላፊኣ ኣብ ሆቴል ኣስኪሩ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝፈጸመላ ምስ ከሰሰት ነቲ ጉዳይ ንምጽራይ ምስ ፖሊስ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ክሲ እታ ሰራሕተኛ ግን ኣብ ማህበራዊ ሚድያ ቻይና ኣዝዩ ኣዘራረቢ ኮይኑ ከም ዝቐነየ ይዝረብ። ፈጻሚ ስራሕ ዓሊባባ ዣንግ፡ እቲ ብጾታዊ ዓመጽ ዝተኸሰሰ ኣካያዲ ሰራሕ ምስታ ሰበይቲ ኣብ ፍትወት ዝተመስረተ \"ጾታዊ ምቅርራባት\" ከም ዝነበሮንን \"ሰኺራ\" ከም ዝነበረትን ተኣሚኑ'ዩ ኢሉ። እንተኾነ፡ \"ንሱ ክስጎግ እዩ፤ ደጊሙ ድማ ኣይክቑጸርን። ጾታዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ድዩ ኣይፈጸመን ዝበሃል ግን ብሕጊ እዩ ዝዳነ\" ኢሉ። ዓሊባባ ነታ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝተፈጸማ ጓል ኣንስተይቲ ሰራሕተኛ ኣድላይ ዝበሃል ድጋፍ ይገብረላ ከም ዘሎ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፡ ኣብታ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር እትርከብ ጂናን እትበሃል ከተማ ፖሊስ ምጽራያት ከካይድ ጀሚሩ'ዩ። ዛንታ እታ ግዳይ ኣብ ከም ትዊተር ዝበለ ማሕበራዊ ሚድያ ቻይና [ወይቦ] ዝሰፈረ ኾይኑ ህዝባዊ ምልዕዓላት ፈጢሩ ኣሎ። ንሳ፡ እቲ ሓላፊኣ ምስ ሓደ ዓሚል ንምዝርራብ ኢሉ 900 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ናብ እትርከብ ከተማ ደፋፊኡ ወሲዱ ድሕሪ ድራር ኣንጊዱ ኣልኮል ክትሰቲ ከም ዘገደዳ እያ ትገልጽ። ካብኡ ከም ዝሰዓማን ብድሕሪኡ ውኒኣ ስለ ዝሰሓተት፡ ክሳብ ዝወግሕ እንታይ ከም ዝተፈጥረ ከም ዘይትፈልጥ እያ ትዛረብ። ኣገዲድካ ኣልኮል ምስታይ ገበን ምዃኑ ዓሊባባ ኣፍቲ ደብዳቢኡ ሓቢሩ ኣሎ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58142302"} {"headline":"ፈረንሳ፡ ኑዛዜ ሓደ ፖሊስ ን35 ዓመታት ክካየድ ዝጸንሐ ኣለሻ ሓደ ዕሉል ገበነኛ ከምዘብቅዕ ገይሩ","content":"ኣብ ፈረንሳ፡ ገበናት ሓደ ዕሉል ቀታሊ ንጉጅለ ገበን እታ ሃገር ንዓሰርታት ዓመታት ኣድኪሙዎም'ዩ። ሕጂ ግን፡ ፖሊስ እታ ሃገር ዝነበረ ውልቀሰብ ቀታሊ ሊ ግሪሌ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምዃኑ ተናዚዙ። እቲ ፍራንኮይስ ብዝብል ስም ዝተጸርሐ ፖሊስ ነብሰ ቕትለት ቅድሚ ምፍጻሙ ኣብ ዝጽሓፎ ወረቐት፡ ነቲ ኣብ 1980ታትን 1990ታትን ብገበናቱ ንፈረንሳ ዘሰንብድ ዝነበረ ውልቀሰብ ከም ዝቐተሎ ገሊጹ። ሊ ግሪሌ ብርክት ዝበሉ ጾታዊ ዓመጻትን ቅትለታትን ከምዝፈጸመ'ዩ ዝጥርጠር። እንተኾነ፡ ሊ እቲ ፖሊስ ንዓመታት ክደልዮ ዝጸንሐ ብዙሕ ሰባት ዝቐተለ ድዩ ዝብል ንምርግጋጽ መርመራ ዲኤንኤ ይካየድ ኣሎ። እቲ ዝሞተ ፖሊስ ዝገደፎ ኑዛዘ ግን ነቲ ፖሊስ ክበጽሖ ዘይክኣለ ጉዳይ ከብቅዕ ዝገብር ክኸውን'ዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር። እቲ ጥርጡር ካብ ዝኽሰሰሎም ሓደ ዘሰንብዱ ገበናት፡ ቕትለት ጓል 11 ዓመት ሴሲሌ ብሎች'ዩ። ንሳ ብ1986 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ቤት ትምህርቲ ከይተረኸበት ምስ ተረፈት'ዩ ምጥፍኣ ተፈሊጡ። ድሕሪኡ፡ ኣስክሬና ኣብ ሓደ ኣረጊት ናይ መሬት ምንጻፍ ተጠቕሊሉ ኣብቲ እትረነብረሉ ህንጻ ኣብ ዝርከብ መጽንሒ መካይን ተረኺቡ። ሰብ መዚ፡ ተዓሚጻ፣ ተሓኒቓን ብካራ ተወጊኣን'ያ ዝብል ጸብጻቦም ምስ ኣቕረቡ፡ ኣብታ ሃገር ሓያል ስንባደን ቁጥዐን ተፈጢሩ'ዩ። ኣብቲ ገበን ዝተፈጸመሉ መዓልቲ ነበርትን ሓዋን እቲ ውልቀሰብ ብሊፍት ክወርድ ከም ዝርኣዩዎ ተዛሪቦም። ፖሊስ ምስሊ እቲ ገበነኛ ንክህልዎ ዝሓገዘ ሓዋ ሉክ ሪቻርድ እቲ ውልቀሰብ \"ብነብሱ ዝተኣማመን\" እዩ ዝመስል ክብል ይገልጾ። \"ንዓይ ከምዚ 'ጽቡቕ . . . ጽቡቕ መዓልቲ ይኹነልካ' ዝበለኒ ይመስል\" ክብል ብ2015 ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ገሊጹ ነይሩ። ድሕሪ እዚ ብዲኤንኤ እታ ግዳይ ዝተረኸቡ መረዳእታታት፡ ናብ ካልኦት ገበናት ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ክመርሑዎም ክኢሎም። እዚ፡ ብ1987 ዝፈጸሞ ቅትለት ጓል 38 ዓመት፣ ናብ ቤት ትምህርቲ እናኸደት ጠፊኣ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ናይ ዝተረኽበት ጓል 19 ዓመት ግዳያት ዝርከቦ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ጓል 26 ዓመት ጀርመናዊት ውልቀሰብን ክልተ ቆልዑ 14ን 11 ዓመትን ዝርከቦ ኮይኑ፡ እቲ ጥርጡር ንርእሱ ፖሊስ'የ ይብል ከም ዝነበረ ተገሊጹ። ናይዚ ውልቀሰብ ስእሊ፡ ንዓሰርታት ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ፓሪስ ተሰቒሉ ክእለሽ ጸኒሑ። እቲ ሕጂ ከም ዝቐተሎ ተናዚዙ ዘሎ ፖሊስ ንሕቶ ናብ መደብር ፖሊስ ተጸዊዑ እኳ እንተዘይቐረበ፡ ብሮቡዕ ኣብ ገዝኡ ሞይቱ ተረኺቡ። እዚ ወዲ 59 ዓመት ሰብኣይ ምስ ወተሃደር ፈረንሳ ዝሰርሕ ፖሊስ ከም ዝነበረ ተገሊጹ ኣሎ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/58730617"} {"headline":"ዓሊባባ ክሲ ጾታዊ ጥቕዓት ንዘቕረበት ሰራሕተኛ ሰጒጉ","content":"ቻይናዊ ትካል ቐጥታዊ መሸጣ [ኦንላይን] ዓሊባባ፡ ብሓደ መሳርሕታን ሓደ ዓሚልን ጾታዊ ጥቕዓት ከም ዝተፈጸማ ንዝኸሰሰት ሰራሕተኝኡ ካብ ስራሕ ሰጒጉ፡፡ እቲ ካብ ስራሓ ከም ዝተሰጎጎት ዝገልጽ ደብዳበ እታ ሰራሕተኛ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምግፋሕ ሽም እቲ ትካል ኣጸሊማ ዝብል እዩ፡፡ እታ ሰራሕተኛ፡ ዓሊባባ ነቲ ዘቕረበቶ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸማ ዝገልጽ ክሲ ግቡእ ስጉምቲ ኣይወሰደን ብምባል እያ ነቲ ጉዳይ ናብ ህዝቢ ዕላዊ ገይራቶ፡፡ ንሳ ናይ ስራሕ ጉዕዞ ኣብ ዝገበሩሉ እዋን እቲ ጥቕዓት ከም ዝተፈጸማ እያ እትገልጽ፡፡ ክሲ ዝቐረቦ መሳርሕታ ካብ ስራሕ ዝተሰጎገ ኮይኑ ዝቐረበሉ ክሲ ገበን ግን ውዱቕ ተገይሩ፡፡ እቲ ዓሚል ግና ክሳብ ሕዚ ምርመራ ይካየደሉ ከም ዘሎ እዩ ዝግለጽ፡፡ እቲ ብኣገባብ ዝተሰነደ ክሲ ነቲ ኣብ ቻይና ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ጾታዊ ትንኮያ ዘቃለዐ እዩ ተባሂሉ፡፡ ዓሊባባ እታ ሰራሕተኛ ብዛዕባ እቲ ጾታዊ ጥቕዓትን እቲ ትካል ነቲ ጉዳይ ዝሓዘሉ መገድን ኣመልኪቱ ዝምቡዕ ሓበሬታ ዘርጊሓ ክብል እዩ ዝኸስስ፡፡ \"ከቢድ ማሕበራዊ ሻቕሎት ኣስዒባ፤ ኣብቲ ትካል እውን ኣሉታዊ ጽልዋ ፈጢራ\" ኢሉ፡፡ ዝኾነ ጥፍኣት ከም ዘይብላ እትገልጽ እታ ሰራሕተኛ ግና ‘‘. . . ነዚ ውሳነ እውን ኣይቅበሎን፤ ብቐጻሊ ድማ ሕጋዊ መገዲ ተኸቲለ ድልየተይን መሰለይን ከኽብር እየ’’ ኢላ፡፡ እታ ሰራሕተኛ ካብቲ ትካል ከም ዝተሰጎገት ጠበቓኣ ንኒው ዮርክ ታይምስ ኣረጋጊጻ፡፡ ዝዓበየ ቻይናዊ ትካል መሸጣ ኦንላይን፡ ዓሊባባ ነቲ ጉዳይ ኣመልቱ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ምላሽ ኣይሃበን፡፡ እታ ሰራሕተኛ ኣብ ዘቕረበቶ 11 ገጽ ዝሓዘ ክሲ፡ መሳርሕታ ክሰትዩ ድሕሪ ምምሳዮም፡ ዓርሳ ኣብ ዘይትፈልጠሉ ኩነታት ኣብ ዝዓረፈትሉ ናይ ሆቴል መደቀሲ ከም ዝዓመጻ እያ ትገልጽ፡፡ እቲ ሓበሬታ ምስ ተዘርገሐ ወይቦ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ማሕበራዊ መራኸቢ ቻይና ኣዘራራቢ ኮይኑ፡፡ ንሳ እቲ ኣብ ልዑል ሓላፍነት ዝርከብ መሳርሕታ፡ ምስ ሓደ ዓሚል ካብ ቤት ጽሕፈት ዓሊባባ 900 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ጂናን ናብ ዝግበር ኣኼባ ኣገዲዱ ከም ዝወሰዳ ትዛረብ፡፡ ኣብ ድራር ድማ ሓለፍታ ምስ መሳርሕታ ኣልኮላዊ መስተ ክትሰቲ ከም ዘገደድዋ ትኸስስ፡፡ ኣብ 27 ሓምለ ኣጋግዘ እቲ ዓሚል ከምዝሰዓማ እትገልጽ እታ ሰራሕተኛ፡ ብጽባሒትኡ ንባዕላ ኣብ መደቀሲ ክፍላ ዕርቃና ደቂሳ ከም ዝረኸበትን ኣብቲ ምሸት ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ከም ዘይትዝክርን ትዛረብ፡፡ እቲ መሳርሕታ ኣማስዩ ኣርባዕተ ግዘ ናብ መደቀሲ ክፍላ ከም ዝተመላለሰ ኣብ ምስጢራዊ ካሜራ እቲ ትካል ምርካባ እውን ወሲኻ ገሊጻ፡፡ ናብ ስራሕ ቦታኣ ምስ ተመለሰት ንምምሕዳር ሓይሊ ሰብን ኣመሓደርትን ዓሊባባ ከም ዘፍለጠት እትገልጽ እታ ከሳሲት፡ እንተኾነ ኣድላዪ ስጉምቲ ኣይተወሰደን ትብል፡፡ ህዝባዊ ነቐፌታ ዝበዘሖ ዓሊባባ ነቲ ዋንግ ዝተባህለ ውልቀ ሰብ ጸኒሑ ካብ ስርሑ ሰጒጉዎ፡፡ ስጉምቲ ዘይወሰዱ ክልተ ላዕለዎት ኣመራርሓ እውን ካብ መዝነቶም ከም ዝወረዱ ኣፍሊጡ፡፡ እቲ ትካል ሰራሕተኛታት ብግዲ ኣልኮላዊ መስተ ክሰትዩ ምግባር ከም ዝቃወም ዝሕብር መግለጺ እውን ሂቡ፡፡ ኣይተ ዋንግ እታ ብጺቱ ሰኺራ እናሃለወት ከም ዝተተናኸፉ ምእማኑ ዓሊባባ ቅድም ክብል ገሊጹ ነይሩ፡፡ ዋላ'ኳ ኣብ ልዕሊ እቲ መሳርሕታ ዝተጀመረ ክሲ ከም ዘይቅጽል እንተተገለጸ እቲ ዓሚል ግን ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ ኣሎ፡፡ እቲ ዛንግ ዝተባህለ ዓሚል እውን ካብቲ ዝዓየሉ ትካል ተባሪሩ እዩ፡፡ ቻይናውያን ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ብሓደ ገጽ እታ ከሳሲት ፍትሒ ኣይረኸበትን ብኻልእ ድማ እኹል መረዳእታ ኣየቕረበትን ኣብ ዝብል ተኸፊሎም ይካትዑ ኣለዉ፡፡ ምስጓግ እታ ሰራሕተኛ ከምቲ ቅድም ክብል ዝተርኣየ ተቓውሞ ‘ሃሽታግ ሚ ቱ’ ከልዕል ከም ዝኽእል ይግመት፡፡","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59633599"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ 5 ቀንዲ ማሕልኻታት ምሕደራ ትግራይ","content":"ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብሓይሊ ምስተኣለየ፡ ብፌዴራል መንግስቲ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ሙሉ ነጋ እዩ ክመርሕ ጸኒሑ። ሕዚ ድማ ሚኒስትር ሳይንስን ኢኖቬሽንን ዝነበረ ዶ\/ር ኣብርሃም በላይ፡ ንዕኡ ክትክኦ ተሾይሙ ኣሎ። ንልዕሊ ሓሙሽተ ወርሒ ነቲ ክልል ዘመሓደረ ዶ\/ር ሙሉ ነጋ፡ ስለምንታይ ብዶ\/ር ኣብርሃም ክቕየር ከምዝተደልየ ዝተውሃበ መብርሂ የለን። ምክትል ሓላፊ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ኣይተ ዓምዶም ገብረስላሴ ከምኡ ድማ ሓላፊ ቢሮ ኮንስትራክሽን፣ መንገድን ትራንስፖርትን ዝነበረ ኣይተ ኣሉላ ሃብተኣብ (ኢንጅነር)፡ ካብ 12 መጋቢት ጀሚሩ ካብ መዝነቶም ከምዝተኣለዩ ዝዝከር እዩ። ቅድም ክብል'ውን፡ ከንቲባ ከተማ መቐለ ዝነበረ ኣይተ ኣታኽልቲ ሃይለስላሰ፡ ካብ ሓላፍነቱ ተላዒሉ እዩ። ኣብዚ ጉዳይ፡ ቢቢሲ ዘዛረቦ ኣይተ ዓምዶም ገብረስላሴ፡ 'ሕቶ ህዝቢ ምምላስ 'ምበር፡ ናይ ሰባት ምቅይያር ለውጢ ኣየምጽእን' ይብል። ንምዃኑ፡ ሕቶ ህዝቢ እንታይ እዩ? እቶም ቀንዲ ፈተናታት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር'ከ እንታይን እንታይን እዮም? ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ፡ እቲ 'ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ' ዝብሎ ወተሃደራዊ ጎንጺ ከምዝተዛዘመ እንተገለጸ'ኳ፡ ንሽድሽተ ወርሒ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርንዓት ትግራይ ውግእ ይቕጽል ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ። ብሓደ ወገን ሰራዊት ህወሓት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ይዋጋእ ከምዘሎ ይዝረብ። ብኻሊእ ገጽ ድማ፡ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕቲ ዝሰርሕ ፖሊስን ጸጥታን ትግራይ ስለዝተበተነ፡ ስርዓት ኣልቦነት ኣስዒቡ ከምዘሎ እዩ ዝዝረብ። ብዚ ምኽንያት፡ ኣብ ከተማ መቐለን ኣብ ካልኦት ከተማታትን፡ ብዝተፈላለዩ ገበናት ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዝነበሩ ሰባት ካብ እሱር ወጺኦም ኣብ ከም ስርቅን ቅትለትን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ገበናት ይዋፈሩ ከምዘለዉን፡ ነቲ ሕብረተሰብ ሰላም ኣስኢኖምዎ ከምዘለዉን ብሰፊሑ ይዝረብ። መንግስቲ ፌዴራል ምስ ዓለምለኸ ትካል ረድኤት ብምትሕብባር፡ ኣብ ትግራይ ሓገዝ ንምግባር ምንቅስቓስ ይገብር ከምዘሎ እንተተነግረ'ኳ፡ ብሰንኪ ጸገም ጸጥታ፡ ናብቲ ዝምልከቶ ረድኤት ምብጻሕ ከቢድ ከምዝኾነ ይዝረብ። ዶብ ኣልቦ ሓካይም ብወገኑ፡ \"ናብ መብዛሕትኦም ከባቢታትን ገጠር ቦታታትን እቲ ክልል ምብጻሕ ኣይተኽኣለን። ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ሕዚ'ውን ስግኣት ጸጥታ ኣሎ፤ ብዙሓት ኣብ ገጠር ዘለው ሰባት ሓገዝ ኣይረኽቡን ዘለው፤ ሕፅረት ምግቢ ከምኡ'ውን ድሩት ኣገልግሎት ጥዕና ኣሎ\" ይብል። መንግስቲ ግን፡ ጸጥታን ምርግጋዕን ትግራይ ናብ ንቡር ከምዝተመልሰ እዩ ብሚድያታት ዝገልጽ። ዓምዶም ገብረስላሰ ግን፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዛጊድ ኣብ ትግራይ ሰላምን ጸጥታን ከረጋግጽ ከምዘይከኣለን ከምኡ ንምግባር ድማ፡ ብቐጻሊ ዓብዪ ስራሕ ከምዝተርፎን ይሕብር። ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ'ቲ ውግእ ካብ ምስታፍ ሓሊፎም፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ቅትለታት፤ ጾታዊ ግህሰትን ዝምታን ከምዝፈፀሙ፡ ክኽሰሱ ጸኒሖም እዮም። ንኣብነት፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ዝጸብጸቦ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዝተፈጸመ ግፍዒ፡ ብመንግስታዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት'ውን ዝተረጋገጸ እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ግን ''ስኑዕ ፕሮፓጋንዳ'' ክበል'ዩ ዝገልጾ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ንፈለማ እዋን ህላወኦም ዝተቐበለ ኾይኑ፡ መንግስቲ ኤርትራ ሓይልታቱ ካብ ትግራይ ከውጽእ ከምዝተሰማምዐ ገሊጹ ነይሩ። ኣሜሪካ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብቅልጡፍን ብጭቡጥ መገድን ክወጽእ ከምዘለዎ ብተደጋገሚ ጸዊዓ እያ። ኩሎም ኣባላት ግዝያዊ ምሕደራ ክልል ትግራይ፡ ኣብቲ ጉዳይ ሓደ ዓይነት ቅዋም ኣይሓዙ'ምበር፡ ገለ ሰብ መዚ እቲ ክልል፡ ነዚ ጉዳይ ደጋጊሞም ከልዕሉን ከም ቀንዲ ዕንቅፋት ክሪእዎን ተስተውዒሎም። ሓደ ካብቶም ኣብ'ዚ ጉዳይ ሕቶ ዘልዐሉ፡ ኣባል ኣመራርሓ ዓረና ትግራይ ዝኾነ ዓምዶም ገብረስላሰ፡ ብሰንኪ ኣብዚ ጉዳይን ካልእን ኣመልኪቱ ንሚድያ ብዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ ሓላፍነቱ ከም ዝተልዓለ ዝገልጽ ኮይኑ፡ ቀንዲ ሕቶ ህዝቢ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ይውጻእ ዝብል ከምዝኾነ ኣብሪሁልና። እዚ ድማ፡ እቲ ምምሕዳር ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ዘካየዶም ህዝባዊ መድረኻት ተደጋጊሙ ክለዓል ዝተስተውዓለ፡ እንትኸውን እቲ ውሳነ ብደረጃ እቲ ምምሕዳር ዝውዳእ ከምዘይኮነ ሰብ መዚ እቲ ክልል ይዛረቡ። ገለ ልሒኹ ዝወጽአ መረዳእታታት፡ ካብ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ መንግስቲ'ውን፡ እዚ ጉዳይ መዕልቦ ክረክብ ከምዘለዎ ከምዝኣምኑ ይዛረቡ ነይሮም። እዚ ዘይምግባር፡ ቅቡልነት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ሕቶ ከምዘእትዎን ዓብዪ ፈተና ከምዝኾኖን ኣይተ ዓምዶም ይዛረብ። ምስ ሰራዊት ፌዴራል መንግስቲ ኣብቲ ክልል ዝዘመቱ፡ ፍሉይ ሓይልታት ኣምሓራ ሰፊሕ መሬት ምዕራብ ትግራይን ገለ ደቡብ ትግራይን ተቖጻጺሮም፡ ግዝኣት ናይ ምምላስ ሕቶኦም የተግብሩ ከምዘለዉ ኣይተ ዓምዶም ይዛረብ። ብኢደ ወነኖም፡ ኣብቲ ከባቢ፡ ናይ ክልል ኣምሓራ ምምሕዳራዊ መዋቕራት ይዝርግሑ ከምዘለዉ ድማ ጸብጻባት ይሕብሩ። ጸሓፊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ መጋቢት፡ ኣብዚ ምዕራባዊ ዞባ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ገበናት 'ምጽናት ዓሌት' ከምዝተፈጸመ ገሊጹ ነይሩ። ንተወለድቲ ትግራይ ካብቲ ከባቢ ብሓይሊ የመዛብልዎም ከምዘለዉ ዝገለጸ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ሓይልታት ኣምሓራ፡ ብቕልጡፍ ካብቲ ከባቢ ለቒቆም ክወጽኡ ሕቶ ኣቕሪቡ ነይሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ነዚ ናይ 'ውሽጣዊ ጉዳይ እዩ' ብዝብል ኣይተቐበሎን፡ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ 'ውን እንተኾነ፡ ነዚ ዝቃወም መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ። ኣብ መግለጺኡ፡ \"ብሓይሊ ዝተወስደ መሬት ብሓይሊና ኣምሊስና\" ዝብል ምላሽ ሂብሉ። ሓያሎ ሰብ መዚ እቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር፡ ኣብዚ ጉዳይ ተቓውሞታት ከልዕሉ ጸኒሖም እዮም። ኣይተ ዓምዶም፡ ኣብ'ቲ ምምሕዳር እንተሎ፡ ካብ ጉዳይ ሰራዊት ኤርትራ ማዕረ፡ ቀንዲ ሕቶ እቲ ህዝቢ ዝበሎ፡ 'እቲ ብክልል ኣምሓራ ዝተወስደ መሬት ይመለስ' ዝብል ከምዝኾነ ይዛረብ። \"መሬትና ኣውሪርኩም እንታይ ኢኹም ተመሓድሩ ዘለኹም? እዚኣ ድያ ትግራይ?\" ዝብል ዓብዪ ሕቶ ካብ ህዝቢ ተደጋጊሙ ከምዝለዓል ንቢቢሲ ሓቢሩ። ኣስታት 70 ሚእታዊት ትካላት ጥዕና ክልል ትግራይ ከም ዝዓነዉን ንብረቶም ከም ዝተዘምተን ትካል ማሕበር ዶብ-ኣልቦ ሓካይም ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ጠቒሱ ምንባሩ ይዝከር። ብምኽንያት እቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ኣዝዮም ውሑዳት ሰራሕተኛታት ጥራይ ኣብ ስራሕ ከም ዝርከቡን፡ ኣብ ገለ ማእከላት ድማ ዝኾነ ሰራሕተኛ ከም ዘየለ'ውን እቲ ማሕበር ገሊጹ ነይሩ። መንግስቲ ኣብዝሓ ዝዓነወ ትካላትን ማእኸላትን ጽገና ከምዝተኻየደሉን ናብ ስራሕ ከምዝተመልሱን እዩ ዝገልጽ፤ እንተኾነ ሓቃውነት እቲ ጸብጻብ ብካልኦት ትካላት ዓለም ለኸ ኣይተደገፈን። ዶብ ኣልቦ ሓካይም፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ድማ፡ ኣባላቱ ናብ ገለ ቁሸታት ኣብ ዝኸድሉ እዋን፡ ትካላት ጥዕና ፈሪሶምን ተዘሚቶምን ከምዝራኣዩን፡ ነበርቲ እቶም ከባቢታት ንኣዋርሕ ኣድላዪ ሕክምና ከምዘይረኸቡን ኣረጋጊጾም። ነቲ ኩናት ስዒቡ ብዙሓት ቤት መረበቶም ገዲፎም ፎቖድኡ ዝተበተኑ ኾይኖም፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዙ ድማ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ካብ ምዕራብ ትግራይ ይመዛበሉ ምህላዎም ጸብጻባት ይሕብሩ። ብሓፈሻ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ኣብ ከተማታት መቐለ፣ ሽረ፣ ዓዲግራት፣ ኣክሱምን ዓድዋን፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ዘይተወድኡ ህንጻታትን'ውን ይርከቡ። ሓላፊት ኮምዩኒኬሽን ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም፡ ሶፊ ማዴን \"እኹል መዕቆብን ምግብን የብሎምን፤ ብፍላይ ጽሩይ ዝስተ ማይ ኣይረኽቡን\" ክትብል ንቢቢሲ ሓቢራ።። እቲ ትካል፡ ኣብ'ዚ ሰሙን ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ድማ፡ ብፍላይ ኣብ ገጠራት ትግራይ ዝነብሩ ብዙሓት ሰባት መሰረታውያን ኣገልግሎታት ክረኽቡ ከምዘይክኣሉ ገሊጹ። ብሰንኪ'ቲ ኩነታት፡ ከቢድ ሕጽረት መግቢ ኣጋጢሙ ከምዘሎን፡ ብፍላይ ህፃናት ካብቶም በቲ ሕጽረት ዝሳቐዩ ዘለዉ ምዃኖም'ውን ይዝረብ። ህጻናት ኣድሕን (ሴቭ ዘ ቺልድረን) ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣስታት 5 ሽሕ ህጻናት በቲ ኲናት ካብ ስድራቤቶም ከምዝተፈላለዩ ገሊጹ። ክራማት ኣብ ዝኣትወሉ ዘሎ እዋን፡ እኹል ሓገዛት ናብቲ 'ዘይተበጽሐ ከባቢታት' ክኣቱ እንተዘይክኢሉ፡ ህዝቢ እቲ ክልል ንሕማማትን ጥሜትን ከይቃላዕ ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ'ሎ። ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናተጋደደ ዝመጽእ ዘሎ እዚ ሰፊሕ ሰብኣዊ ቅልውላው፡ ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ካልእ ዓብዪ ፈተና ኮይኑዎ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ። እቲ ሓድሽ ምምሕዳር፡ ኣብ ትግራይ መንግስታዊ ትካላት ናብ ንቡር ክምለሱን፡ እቶም ዝዓነዉ ድማ ክጽገኑ ይሰርሕ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ። ፌዴራል መንግስቲ'ውን ኣብ ዳግመ ህንጸት ትግራይ ኣትሪሩ ክሰርሕ ምዃኑን ንሰብኣዊ ቅልውላው ቅልጡፍ ምላሽ ይህብ ከምዘሎን ደጋጊሙ ይዛረብ። ዓምዶም ገብረስላሰ'ውን ፡ ኣብቲ ክልል ሲቪል ሰርቪስ ስራሕ ምጅማሩ፡ ኣብ ገለ ውሱን ከባብታት እንተኾነ'ውን ኣገልግሎት ባንክታትን ስልክን ምኽፋቶም፡ ከም እወንታዊ ጎኒ ይሪኦም። ኣብ ፀጥታን ኣብ ምሕላው ግዝኣታዊ ሓድነት እቲ ትግራይን ግን ሰፊሕ ሓጓፍ ከምዘሎ እዩ ዝዛረብ። ኣብዞም ቀንዲ ማሕልኻታት ለውጢ እንተዘይመፂኡ ግን፡ ናይ ሰባት ምቅይያር፡ ትርጉም ከምዘይብሉ ተዛሪቡ። ብፍላይ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ፡ ናብ መንበሪኦም ተመሊሶም ዝጣየሽሉ ኩነታት ከመቻቹ ከምዘለዎ ከም ፍታሕ የቐምጥ። ኣብ መወዳእታ'ውን፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ \"ኣብ በረኻ ምስ ዘለዉ ይኹን ምስ ካልኦት ናይ ሰላም ዝርርብ ጻውዒት እንተዝገብር\" ይብል።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57010753"} {"headline":"ውድድር 'ወ\/ት ድንግል መቐለ' ንምውዳብ ዝተበገሰ ሓሳብ ብሓያል ተቓውሞ ተቛሪጹ","content":"ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ሓደ ኣዳላዊ ትካል ፡ \"ወ\/ት ድንግል መቐለ\" ዝተባህለ ውድድር ከዳሉ ምዃኑ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክወዓዋዕ ቀንዮ ነይሩ። እቲ ውድድር፡ ደናግል ደቂ-ኣንስትዮ ትግራይ ዝሳተፋሉ ክኸውን'ዩ ብዝብል ዝተበገሰ'ዩ። \"ዓብይ ክብሪ ዓብይ ሽልማት፡ መጺእክን ተመዝገባ ተወዳደራ ተሸለማ\" ይብል እቲ ብኣዳለውቲ ዝተዘርግሐ ናይ መወዓውዒ ፖስተር። ይኹን እምበር ካብ ህዝቢ ሓያል ተቓውሞ ስለዝገጠሞ ተቛሪጹ ከምዘሎ ሰብመዚ ጥዕና ገሊጾም ኣለዉ። ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶ\/ር ሓጎስ ጎደፋይ፡ እቲ መደብ ደው ክብል ምስ ኣዳለውቲ ምርድዳእ ከምዝተበጽሐ ተዛሪቡ። \"እዚ ፕሮግራም ኣብ [ደቂ-ኣንስትዮ] ይኹን ኣብቲ [ማሕበረሰብ] ዝፈጥሮ ዝተፈላለየ ፀገም ስለዘሎ ጠጠው ክብል ተረዳዲኢና ኣለና\" ክብል ዶ\/ር ሓጎስ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። \"መድረኽ ብጃንዳ (መርሃዊ ገ\/ስላሴ) ኢቨንትስን ስራሕቲ ኪነ-ጥበብን\" ዝተባህሉ ኣዳለውቲ ናይቲ መደብ፡ ንቢሮ ሓለዋ ጥዕና ፍቓድ ሓቲቶም ምባሮምን እቲ ቢሮ ድማ ጠጠው ንከብሉ ምላሽ ደብዳቤ ፂሒፉ ከምዘሎን'ውን፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ፈይስቡክ ገሊጹ'ሎ። \"እቲ [ከተዳልውዎ] ሓሲብኩም ዘለኹም መድረኽ ትክክለኛ ዘይኾነን ኣብ መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ይኹን ማሕበረሰብ ዝፈጥሮ ተጽዕኖ ኸቢድ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ብውድብ ዓለምለኸ ጥዕና እው እንተኾነ ብጥብቒ ዝተኸልከለን። \"ብኣንጻር ሕክምናዊ ስነምግባር እውን [እንትርኣይ] ነቲ በዓልሞያና ዘናእስን ካብቲ ናይ ግልጋሎት ሕክምና ዝእዝዞ ወጻኢ እውን ስለዝኾነ ሕቶኹም ከምዘይተቐበልናዮ እንዳሓበርና እቲ ጀሚርክምዎ ዘለኹም ምንቅስቓስ ጠጠው ክተብልዎ ብጥብቒ ነተሓሳስብ\" ይብል እቲ ቢሮ ኣብ ፈይስቡክ ዘውጽኦ ናይ ምላሽ ደብዳበ። እዚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዓቢ መዘራረቢ ነጥቢ ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ፡ ዝበዝሑ ሰባት ክኹንንዎ እንከለዉ፡ ሰብመዚ ንዝወሰድዎ ስጉምቲ ዝንእድ'ዩ። ሓንቲ መብራት ዮሃንስ ዘፈሩ ዝተባህለት ተጠቃሚት ትዊተር ነቲ ሰብመዚ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ብምድጋፍ፡ \"ኽብሪ ደቂ ኣነስትዮን ኽብሪ ማ\/ሰብ ትግራይን ለሐሉ ስራሕ ኢኻ ሰሪሕኻ የቐንየልና\" ክትብል ጽሒፋ። ካልኦት ወሃብቲ ርእይቶ'ውን ገለ ብሕጊ ክሕተቱ ኣለዎም ዝብሉ፡ ገሊኦም ድማ፡ ኣብ ድልየት እተን ደቂ-ኣንስትዮ ዝምርኮስ'ዩ ብምባል ነቲ ውድድር ደገፎም ዝገለጹ ኣለዉ። 'ድንግልና ብገንዘብ ዝሽየጠሉ ኩነታት ይረአ'ሎ' ኣብዚ ቀረባ እዋናት ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ካልኦት ክፋላት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ጾታዊ ዓመጻት ክካየድ ምጽንሑ ንብዙሓት ከሻቕል ዝጸንሐ ጉዳይ'ዩ። ብዘይካ'ዚ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣቐዲሙ፡ ብማእኸላይ ኣብ 17ን 18ን ዕድመ ከም ዝነበረን፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ግን ኣብ መጀመርታ ዓሰርተታት ዕድመ ሕልፍ ኢሉ'ውን ትሕቲ 10 ዓመት ጸታዊ ርክብ ክጅምሩ ይርአ ከምዘሎ ሰብመዚ ጥዕና ይገልጹ። እዚ ድማ፡ ህጻናትን ቖልዑትን ነቲ ሕማም ኤች-ኣይ-ቪ ኤድስ ዘለዎም ተቓላዕነት ከጋድዶ'ዩ ተባሂሉ ይእመን። ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ሓሓሊፉ ድንግልና ብብርክት ዝበለ ገንዘብ ናይ ምሻጥ ኩነታት ከም ዝረአ ጸብጻባት ሰብመዚ ጥዕና ይሕብሩ። ብኣንጻር ኣብታ ከተማ ዘሎ ምንቅስቓስ ንግዲ ስጋዊ ርክብ፡ ንሓዳርካ እሙን ናይ ምኻን ይንኪ ምህላው፡ መጽናዕቲ ቤት ጽሕፈት ምክልኻን ምቁጽጻርን ኤችኣይቪ ፌደራል የመልክት ይብል ኣቶ ታሪኩ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54152876"} {"headline":"ናይጀርያ፡ ሓደ ዕጡቕ ኣብ መርዓ 18 ሰባት ቀቲሉ ልዕሊ 30 ኣቑሲሉ","content":"ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ናይጀርያ፡ ሓደ ዕጡቕ ኣብ ስነ-ስርዓት መርዓ ኣብ ዝነበሩ እኩባት ሰባት ጥይት ብምቱኳስ ብውሕዱ 18 ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 30 ሰባት ከምዘቑሰሉን ተሓቢሩ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ካዱማ ዝብሃል ዞባ ኣብ ሓንቲ ኩኩን ዳጂ ትብሃል ዓዲ ከምዝተፈጸመ እቲ ካብ ናይጀርያ ዝተፈነወ ዜና ይሕብር። ናይቲ ከባቢ ሓላፊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሓበሮ፡ እቲ በዓል ብረት ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ሓደ ክፉት ቦታ ኮይኖም ሙዚቃ ዓው ኣቢሎም ዝስዕስዑ ዝነበሩ ዕዱማት ኣድራጋ ጠያይት ከምዝቶኮሰ ሓቢሩ። እቲ ሓላፊ፡ እቶም 15 ሰባት ሽዑ ሽዑ ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት ሰለስተ ድማ ኣብ ሕክምና ምስ በጽሑ ከምዝሞቱ ንቢቢሲ ሓቢሩ። መርዓውን መርዓትን ግን ካብቲ መጥቃዕቲ ከምዝድሓኑን፡ እቲ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ዕጡቕ'ውን ከምዝሃደመ ተገሊጹ። ውሃቢ ቃል ፖሊስ ዞባ ካዱና መሓመድ ጃሊንገ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብርግጽ ከምዝተፈጸመ'ኳ እንተሓበረ፡ ብዝሒ ምውታትን ፈጻሚ እዚ ተግባርን የጻርይዎ ከምዘለዉ ብምሕባር ተወሳኺ ሓበሬታ ክህብ ኣይክኣለን። መሓመድ ጃሊንገ፡ ምስዚ ቅትለት ብዝተኣሳሰሰር ክሳብ ሕጂ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ሰብ ከምዘየሎ'ውን ንቢቢሲ ሓቢሩ። ክሳብ ሕጂ፡ ነቲ መጥቃዕቲ መንን ብምንታይ ምኽንያት ነቲ መጥቃዕቲ ፈጸምዎን ዝተሓበረ ነገር የለን። እንተኾነ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ናይጀርያ ኣብ ቱግቱግ (ሞተርሳይክል) ተወጢሖም ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ፡ ሰባት ጨውዮም ክፍሊት ዝሓቱን ጥሪት ዝሰርቁን ጉጅለ ከምዘለዉ ብተደጋጋሚ ይሕበር'ዩ። ብቀዳም'ውን ኣብቲ ከባቢ ላዕለዎት ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ዝርክብዎም ኣብ ሓደ ጫካ ንተፍትሽ ዝወፈሩ 16 ወተሃደራት ብዘይተፈለጡ ዕጡቃት ከምዝተቐተሉ ተሓቢሩ ነይሩ'ዩ። ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ልዕሊ 8000 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ። ነዚ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕትታት ንምቁጽጻር ወተሃደራዊ ወፍርን ምሕጽናታን ክካየድ እኳ እንተጸንሓ ነቲ ቅትለት ብርጌሳውያን ግን ደው ከብሎ ኣይክኣለን።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/53482683"} {"headline":"ትግራይ፡ ኣብ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ብዝበጽሕ ጾታዊ መጥቃዕቲ መን'ዩ ዝሕተት?","content":"ዳናይት'፡ ኣብ ትግራይ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝተሓትመ መጽሓፍ እያ። ዛንታ፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ከተማ ውቕሮ ኣብ ገዛ ተዓጽያ ብወላዲ ኣቦኣ ዝተዓመጸት ጓል 10 ዓመት ህጻን ድማ ተዘንቱ። እቲ ኣቦ፡ በዓል ሞያ ጥዕና ኮይኑ ኣብ ደሙ ረኽሲ ቫይረስ ኤችኣይቪ ከም ዘለዎ እናፈለጠ'ዩ፡ ጌና ብህጻንነተን ወላዲት ኣዲአን ንዝስኣና ደቁ ተደጋጋሚ ጾታዊ ዓመጽ ዘብጽሐለን ነይሩ። ዳናይትን ሓፍታን ግዳይ፡ ብወላዲ ኣቡአን ዝበጽሕ ጾታዊ መጥቃዕቲ ክኾና እንከለዋ፡ ዳናይት በቲ ቫይረስ ተለኺፋ፡ ግዳይ ኣካለዊ፣ ጥዕናውን ስነ ኣእምሮኣውን ጸገማት ኮይና። ወይኒ ኣብርሃ ማንጁስ፡ ንታሪኽ እዛ ብወላዲ ኣቡኣ ዝተዓመጸት ጓል ኣንስተይቲ ብመጽሓፍ ዝሰነደት፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ምክልኻል ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝበጽሑ ጾታዊ ዓመጻትን በደላትን ግንዛበ ኣብ ምዕባይ ትነጥፍ። \"ዳናይት፡ ኣብ ገዛ ተዓጽያ፤ ወላዲኣ ንሰብ ከይትዛረብ ብካራ እናፈራርሐ ኣብ ገዛ ዓጽዩ ጾታዊ በደል ኣብ ልዕሊኣ ይፍጽም ነይሩ። ኣብዚ ግዜ፡ ዳናይት ናብ ቤት ትምህርቲ ኣይከደትን፤ ክትከይድ ፈቲና'ውን ኽዳና ብደም ስለ ዝበላሾ፣ ዓቕሚ'ውን ስለ እትስእን ክትመሃር ኣይከኣለትን። እዚ ክኸውን እንከሎ፡ ጎረባብቲ ነይሮም'ዮም፤ እዛ ቖልዓ ናበይ ከይዳ ኢሎም ክሓቱ ምኸኣሉ፤ ግን ድማ ኣይነበረን\" ክትብል ንሕሉፍ ታሪኽ እዛ መንእሰይ ትዝክሮ። ማሕበራዊ ኣነባብራ ሕብረሰተብ ኢትዮጵያ ኮነ ህዝቢ ትግራይ፡ ዝተቐራረበን ዳርጋ ምትእኽኻብ ዝበዝሖን ስለ ዝኾነ፡ ሃንደበት ጎረቤት ወይ ኣብ ሓደ ካንሼሎ ሓቢሩዎ ዝነብር ሰብ ብዘይፈለጠ ምኽንያት ክስወር እንከሎ፡ 'ናበይ ኣተወ?' ኢሉ ምሕታት ንቡር እዩ። ዳናይት፡ ዳርጋ ንሓደ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ኣብ ገዛ ክትዕጾ እንከላ፣ ካብ ቤት ትምህርቲ ክትቦኩር እንከላ፣ ካብ ዓይኖም ክትኽወል እንከላ፡ ጎረባብቲ ናበይ ኣበለት ዘይምባሎም፡ ንጸሓፊት ዛንታ እዛ ውልቀሰብ ክሳብ ሕጂ ዘሕዝና ተጓንፎ'ዩ። መበገሲ እቲ ሕጂ ተካይዶ ዘላ ንጥፈት ማሕበረሰባዊ ንቕሓት እዚ'ዩ። \"ኣነ፡ ከም መንእሰይ፡ ንመሰለይ ደው ክብል ዝኽእል ክኸውን ይኽእልን ግን ናይ ሓንቲ መንእሰይ ሙሉእ ቑልዕነት ተመንጢሉ ክትሰምዕ ከቢድ እዩ። ድሕሪ እዚ ኣነ ንበይነይ መሰለይ ምፍላጠይን ንመሰለይ ደው ምባለይን እኹል ዘይምዃኑ ተረዲኡኒ፤ ኩልና ደቂ ኣንስትዮ ውሑሳት እንተዘይኮይንና'ዩ ከም ማሕበረሰብ ንድሕን\" ትብል። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ትግራይ ከምዚ ዓይነት ኣብ ልዕሊ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን፡ ብወላዲ ኣቦን ናይ ቐረባ ዘመድን ዝበጽሕ ጾታዊ መጥቃዕቲ ብሰፊሑ ክውግዓሉ ክጅምር እንከሎ፡ ኣዝዩ ናብ ዘሰክፍ ደረጃ ይዓቢ ከም ዘሎ ይንገር። ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮ'ውን፡ ኣካል እቶም ዝፍጸሙ ጾታዊ ዓመጻት እናኾኑ ምምጽኦም፡ ድማ ካልእ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ። ኣብቲ ክልል፡ ኣብ ውሽጢ እዘን ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጥራሕ 159 ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈላለየ መጥቃዕቲ በጺሑና ኢለን፡ ኣብ መቐለ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ናብ ዝርከብ 'ዋን ስቶፕ' ዝተባህለ፡ ናይ ሕክምናን ሕግን ሓገዛት ዝህብ ማእከል መጺአን። እዞም፡ ኣብ ልዕሊ እዘን ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝበጽሑ መጥቃዕታት ብዙሓት ዓይነት ኮይኖም፡ እቲ ጾታዊ መጥቃዕቲ ሚዛን ድፍእ ኣቢሉ ንረኽቦ ዝበለት ዓቃቢት ሕጊ ሓዳስ ኣስጨናቂ፡ ምስ ኣካላዊ ጉድኣት [መውቃዕቲ] ዝተኣሳሰር ዝበጽሕ መጥቃዕቲ'ውን ስዒቡ ንረኽቦ ትብል። ዋላ'ኳ እዚ ማእከል ኣብ ወርሒ ለካቲት ካብ ዝኽፈት ንነጀው ኣብ ዘለዋ ኣዋርሕ ጥራሕ፡ ከምዚ ዝበሉ ጥርዓናት ይቕረበሉ ድኣምበር፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረሰተብ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተሓቢኦም ዝተርፉ ተመሳሰልቲ ዘቤታውን ጾታውን መጥቃዕታት ከም ዘለው ይእመን። ኣብዚ፡ ካብ 2 ዓመትን ትሸዓተ ወርሕን ህጻን ጀሚሩ ክሳብ 75 ዓመት ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝበጽሐን ሰባት ክህልዋ እንከለዋ፡ እተን ዝበዝሓ ትሕቲ 15 ዓመት ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ እየን። ብ28 ሚያዚያ 2020 ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዘለወሉ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝበጽሑ ዘቤታውን ጾታውን መጥቃዕታት ከም ዝወሰኹ ይጠቅስ። ብፍላይ፡ እቲ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምቁጽጻር ብዙሓት ሃገራት ወሲደንኦ ዝጸንሓን ኣብ መብዛሕቲአን ዳርጋ ሕጂ'ውን ኣብ መስርሕ ዘሎን ኣዋጅ ዕጽዋ ንዝቕጽል ሽዱሽተ ወርሒ ተግባራዊ ዝኸውን ኮይኑ፡ 31 ሚልዮን ሓደሽቲ ዘቤታዊ ዓመጻት ክጋጥሙ ከም ዝኸእሉ ገሊጹ። ኣብ ትግራይ'ውን፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝበዝሐ ምንቅስቓሳት ተገዲቡ ስለ ዘሎ፡ መብዛሕቲኡ ሰብ ንነዊሕ ሰዓታት ኣብ ገዛ ብሓባር ናይ ምውዓል ተኽእሎ ስለ ዘሎ፡ \"እዚ ኩነታት፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ነዚ መጥቃዕቲ ተቓላዕቲ ክኾና ገይሩ እዩ ኢልና ንኣምን ትብል\" ዓቃቢት ሕጊ ሓዳስ። \"ገሊአን ትሕቲ ዕድመ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣዴታተን ናብራ ንምድፋእ ናብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝኸዳሉ፡ ምስ ወላዲ ኣቡአን ወይ ናይ ቐረባ ዘመድ ዝኾነ ሰብ ክጸንሓ ገይረንአን ዝኸዳ፡ ግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ ክኾና እንከለዋ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ቀረባ ናብዚ ማእከል ክትሕገዝ ዝኸደት፡ ጓል ኣንስተይቲ ወለዳ ካብ ሓዳሮም ስለ ዝተፋትሑ፡ ወላዲ ኣቡኣ ምስኡ ክትነብር ብቤት ፍርዲ ተወሲኑለይ እዩ ኢሉ ኣገዲዱ ብምውሳድ ንኸባቢ ኽልተ ዓመት ኣገዲዱ ምስኡ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ዝተገበረት ጓል ኣንስተይቲ'ውን መጺኣትና እያ\" ኢላ። ብኣሕዋተንን ካልእ ናይ ቀረባ ዘመድ ዝኾነ ሰብን ዝተጠቕዓ እውን ኣለዋ። እዚ ኣብ ልዕሊ ጓል ኣንስተይቲ ዝፍጸም ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ሕብረተሰባዊ ጥዕናዊ ጸገም ኮይኑ ቀጺሉ፤ ናብ ደቂ ተባዕትዮ ህጻናት'ውን ተሰጋጊሩ ኣሎ። እዚ ኣብ ህይወት ደቂ ኣንስትዮ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጽልዋ ዘለዎ ተግባር፡ ብምኽንያት እዚ ኣብ ልዕሊ እተን ግዳያት ዝበጽሕ ማሕበራዊ ተነጽሎ ብዙሓት ነቲ ዝበጽሐን በደል ደፊረን ንክዛረብኦ ይፈርሓ። እዚ ንደቂ ኣንስትዮ ኣትሒቱ ዝርኢ ባህሊ ኣብ ዘለወን ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ገዛ ክጸንሓ ኣለወን ዝብል ሕብረተሰብ ልሙድ ኣተሓሳስባ ኮይኑ፡ መብዛሕትኦም ነዚ ገበን ዝፍጽሙ ሰባት ካብ ተሓታትነት ክሕብኡ ከም ዝገብር ይግለጽ። እቲ ጸገም ዝነበረን እናተሸፋፈነ ዝጸንሐን'ዩ እትብል ወይኒ ኣብርሃ፡ ከምዚ ዓይነት በደላት ብቓልዕ ምዝራብ ክብሪ እቲ ሕብረሰተብ ይጎድእ እዩ ተባሂሉ ስለ ዝእመን፡ ኣብ ገዛ ተዓቢጡ ዝተርፍ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ ኢላ ትኣምን። \"እዚ ከኣ ብዙሕ ዋጋ ኣኽፊሉና እዩ፤ ልዕሊ ፍርቂ ማሕበረሰብ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ እናበጽሐን፣ ኣሲድ እናተደፍአን፣ እቲ ማሕበረሰብ ክብሩ ከይትንከፍ ስቕ በሉ ይብሃል ነይሩ። ጸገምካ ምሕባእ ግን ናብ ዝኸፍአ ጸገም እዩ ዝወስድ። ውሑዳት ዝሰርሑዎ ጀግንነት ንሕበነሉ እንተኾይንና፡ ውሑዳት ሰባት ዝሰርሑዎ ገበን ድማ፡ ከም ተጋሩ ክንኹንኖ፡ ብሕጊ ንክንሓቶም ፍትሒ ክርከብ ክንጽዕር ይግባእ። እምበር ውሑዳት ጀጋኑ ዝሰርሑዎ ታሪኽ፡ ታሪኽና ኩላትና፡ ውሑዳት ዝሰርሑዎ ሕማቕ በደል ኸዓ ንዓና ኣይውክለናን ኢልና ክንሓድጎ ልክዕ ኣይመስለንን። ከም ማሕበረሰብ ድሕረታትና ነጺርና፡ ንዕኦም ኣብ ምውጋድ ክንሰርሕ ኣለና\" ትብል። ቢሮ ፍትሒ ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ንምክልኻልን ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ንምምጻእን፡ በብወረድኡ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ይስርሕ እዩ። ምስ ዩኒሴፍ ብምትሕብባር ድማ፡ እዚ ደቂ ኣንስትዮ ኣገልግሎት ጥዕናን ፍትሕን ዝረኽባሉ 'ዋን ስቶፕ' ዝተባህለ ማእከል ከፊቱ ኣሎ። እንተኾነ፡ እቲ ኣብዚ ጉዳይ ዝወሃብ ፍትሒ ካብ ምጽራይ ስለ ዝጅምር፡ ካብ ፖሊስ፣ ዓቃቢ ሕጊ፣ ድሕሪኡ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝኽየድ ነዊሕ መገዲ ምህላው፡ ዕግበት ከም ዘይፈጥር እታ ዓቃቢት ሕጊ ትዛረብ። \"እቲ ዕንቅፋት፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ መጥቃዕቲ በጺሑወን ፖሊስ ክረኽበን እንከሎ እዩ ዝጅምር። ናብ ፖሊስ ከመልክታ ከለዋ፡ ብገጽ ዘይምቕባል፣ እምነት ዘይምሕዳር፣ እቲ ጉዳይ ግዜ ከም ዘይህብ እናተፈለጠ ከም ስሩዕ መዛግብቲ ቅልጡፍ ምላሽ ዘይምሃብ፡ ቐልጢፈን ኣገልግሎት ሕክምና ንክረኽባ የተዓናቕፈን እዩ\" ኢላ። ኣብዚ ናይ ኮሮና እዋን ክርአ እንከሎ ትብል ዓቃቢት ሕጊ ሓዳስ፡ \"መኪና የለን እናተባህለ ጥዕና ጉዳየን እኳ ከይረጋገጽ ብዙሕ ዕንቅፋት ተፈጢሩ እዩ [ብመዳይ ፖሊስ]። ቀልጢፍካ ቃለን ሰሚዕካ ፍትሒ ንከይረኽባ ብዙሕ ማሕለኻ ኣሎ። ገበን ዝፈጸመ ግቡእ ቕጽዓት ንክረክብ ቅልጡፍ ፍትሒ ስለ ዘይትረኽብ ድማ፤ እታ ጓል ኣንስተይቲ እምነት ኣይትረክብን\" ትብል። ኣብዚ ዙርያ ዘለው ሕግታት ንክመሓየሹ ጻዕሪ ይግበር እዩ ዝበለት ሓዳስ፡ ክሳብ ሕዚ ዝወሃቡ ዘለው ቕጽዓታት ግን ብቑዓት'ዮም ኢለ ኣይኣምን ኢላ። \"እቲ ኣብ ኣካለን ዝበጽሕ ጥቕዓት ዘይኮነ፡ ስነ ልቦናዊ ጥቕዓት እዩ እቲ ዘሕምም። እዚ ቖላሕታ ክግበረሉ ኣለዎ፤ ካብቲ ካልእ ገበን ንላዕሊ ዘስካሕክሕ ከም ዝኾነ ሓሲቡ እቲ ሕብረሰተብ ክቃለሰሉ ኣለዎ\"። ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝበጽሓ ጓል ኣንስተይቲ ክትሓፍር፣ ክትሽቑረር፣ ክትንቀፍ ንርኢ ዝበለት፡ ካብቶም ነዚ ብኣካልን ስነ ልቦናን ዝበጽሕ ዘሎ በደላት ጠጠው ንምባል ኣብ ዝነጥፍ 'ይኾኖ' ዝተባህለ ጎስጓስ ኣባል ዝኾነት ወይኒ ኣብርሃ፡ ማእለያ ዘይብሎም ማሕበረሰባዊ ድሕረታት ዝወለዱዎ ጸገማት ምዃኖም ትጠቅስ። \"በዳሊ ኣብ ክንዲ ዝንቀፍ፣ ዝሓፍርን ናብ ሕጊ ዝቐርብን፡ ብሱሩ እንታይ'ያ ተኸዲና ነይራ? በይኑ እናሃለወ ድያ ከይዳቶ? ኣይትሓፍርን ድያ? እናበለ፡ ንዓኣ ይነቅፍ፤ በዳሊ ብነጻነት ይግደፍ፤ ተበዳሊት ትሓፍር። ኣብ ሕሉፍ እንታይ ተኸዲና ነይርና ኢልና ነቲ ዝበጽሐ በደል እንተዘይተቕልሎ ነይርና፡ ሎሚ ህጻናት ቖልዑ ኣይምተዓመጻን\/ጹን\"። እዚኦም፡ ካብ ኣተዓባብያ ቖልዑ ዝብገሱ ከም ዝኾኑ ብምግላጽ፡ ማዕርነታዊ ኣተሓሳስባ ዝሰነቐ፣ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ድልየታተን ክውስና ዘፍቅድ፣ ድሕረታትን ዓማጺ ኣተሓሳስባን ዝጽየፍ ወለዶ ኣብ ምፍጣር ከነተኩር ይግባእ ትብል። ግዳያት፡ ፍትሒ ክረኽባ ዝጽዕሩ ጠንካራ ናይ ሕጊ ሰባት ከም ዘለው እትዛረብ ሓዳስ ብወገና፡ እቲ ሕብረሰተብ ግን፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝበጽሓ ጓል ኣንስተይቲ ናብ ሕጊ ክትኸይድ ኣብ ክንዲ ዘተባብዕ፡ እቲ ጉዳይ ብሽምግልናን ሕብእብእን ክሕለፍ ከም ዝደፋፍእ ትገልጽ። \"መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ሕጊ ከይትኸይድ ዝደፋፍእ ሕብረተሰብ እዩ ዘለና ኢለ እየ ዝኣምን። ከምዚ ስለ ዝኾነ፡ እቲ በዳሊ ወዲ ሓው ወዲ ሓፍተይ ስለ ዝኾነ እናተባህለ፡ እንድሕር ጥዕና ዳሕና ኮይነ፡ ናብ ሕጊ እንተዘይኸይደ'ውን እንታይ ጸገም ኣለዎ ዝብላ ተበደልቲ ክህልዋ ገይሩ'ዩ\" ትብል። ካብዚ ማሕበረሰባዊ ናይ ጥዕናን ኣተሓሳስባን ጸገም ንምውጻእ፡ ተኸታታሊ ኣስተምህሮ ክወሃብ ኣለዎ ዝብል ርኢይቶ ኣለዋ። ብኣውርኡ፡ እቲ ሕብረተሰብ ካብ ድኽነት ክወጽእ፣ ዕድላት ስራሕ ክፍጠረሉ፣ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ካብ ትሕቲ ዕድመ መርዓ ተናጊፈን ክማሃራን ቑጠባዊ ዓቕመን ከጎልብታን ክግበር ኣለዎ ትብል።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/53116965"} {"headline":"ቅልውላዉ ትግራይ፡ ጾታዊ ዓመጻት ኣብ ልዕሊ ሰብሞያ ጥዕና ዝፈጥሮ ዘሎ ጸቕጢ","content":"ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ዕዳጋ ሓሙስ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ጓል 27 ዓመት ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ሓደ ካብቶም ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ \"ኣዝዮም ዘስካሕክሑ\" ኢላ ዝገለጸቶም ጾታዊ ዓመጻት'ዩ። ሊንዳ ቶማስ ዝሓለፈ ዓርቢ ንባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፡ ሕጂ'ውን \"በቶም ዝበጽሑዋ ዘለው ጸብጻባት ዓመጽ ከም ዝተሰናበደትን ካልኦት ዘይተዘርበሎም ጭካነ ዝተመልኦም ጾታዊ ዓመጻት ኣለው\" ብምባል ኣብቲ ኲናት \"ጾታዊ ዓመጽ ከም መሳርሒ ኲናት ውዒሉ'ዩ\" ምባላ ይዝከር። ዶክተር ኣታኽልቲ ስዩም፡ ናብ ሆስፒታል ዓዲግራት ንዝመጽአ ግዳያት እቲ ጾታዊ ዓመጽ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ይሕክም ኣሎ። ኣብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት ኣብ ማሕጸና እምኒ፣ ዝመረተ መስማርን ኮንደምን ዝኣማሰሉ ባዕዳዊ ነገራት ኣቲዩዋ ካብ ዕዳጋ ሓሙስ ዝመጽኣቶ ግዳይ ክትገጥሞ እንከላ ግን \"ኣዝየ ሰንቢደ\" ይብል። \"እቲ ኣብ ማህጸና ዝነበረ ነገራት ከውጽኦ ክፍትን ከለኹ ካብ ዓቕመይ ንላዕሊ ኮይኑ\" ዝብል ዶክተር ኣታኽልቲ፡ ካልእ በዓል ሞያ ክርእያ ግድን ስለ ዝነበረ፡ ሓደ ክኢላ ጋይናኮሎጂ ተጸዊዑ ብመጥባሕቲ ካብ ማህጸና ክወጽኡ ከም ዝተገብረ ይዛረብ። ይኹን'ምበር \"እዚ መዓዝ ካብ ሕሊናይ ከም ዝለግስ ኣይፈልጥን\" ብምባል እቲ ዝሓልፉዎ ዘለው ስነ ልቦናዊ ጸቕጢ ይዛረብ። ንሳ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይ መትኒ ጸገም ኣጋጢሙዋ ኣብ መቐለ ሆስፒታል ዓይደር ሕክምናዊ ናብዮት ይግበረላ'ዩ ዘሎ። \". . . ታሪኽ ማእለያ ዘይብሉ ተደራራቢ ጾታዊ ዓመጽ ዝበጽሐን ግዳያት ክሰምዕ ውዒለ ናብ ገዛይ ክኸይድ ከለኹ፡ እንታይ ይረግጽ ኣለኹ፣ እንታይ ይዛረብ ኣለኹ ዝፈልጦ ነገር የብለይን\" እትብል ከኣ ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ኣብ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ነርስ ሙሉ'ያ። ክሳብ ሕጂ እዞም ሰብ ሞያ ጥዕና ናብዮት ዝገብሩለን ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ዳርጋ ኩለን ተማሳሳሊ ዛንታ ከም ዘለወን ክገልጹ እንከለው፡ \"ወተሃደራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ዝዓመጹወን ይዛረባ፤ ውኒኤን ብምስሓተን መን እንታይ ከም ዝገበረን ዘይፈልጣ'ውን ኣለዋ\" ክብል ዶክተር ኣታኽልቲ ኣውጊዑና። እተን ደቂ ኣንስትዮ ብምኽንያት እቲ ዝሓልፍኦ ዘለዋ ጥዕናዊ ጸገማት፡ ብምልሰት እቲ ዝበጽሐን በደል ተረቢሸን 'ፍንፍንቲ'የ፣ ብህይወት ክነብር የብለይን' ዝብላ ግዳያት ምህላወን ነርስ ሙሉ ትዛረብ። እንተኾነ እዞም ክኢላታት ጥዕና፡ ብዝኾነ ተኣምር ንተሓከምቲ ናብ ውኒአን ብምምላስ፡ ኣህዲኦም ተስፋ ናይ ምስናቕ ጸውራ ናታቶም ኮይኑ ይርከብ። እዚኦም፡ ብፍላይ እኹል ናውቲ ሕክምናን መድሃኒት ኣብ ዘይብሉ፣ ብዋሕዲ ሰብ ሞያ ብብዝሒ ግዳያት ከተኣናግዱ ይውዕሉ። ሓፈሻዊ ሓኪም ሆስፒታል ዓዲግራት ኮይኑ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ከገልግል ዝጸንሐ ዶክተር ኣታኽልቲ ስዩም፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ትግራይ ብዝቕጽል ዘሎ ኲናት ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ዝኾና ልዕሊ 140 ደቂ ኣንስትዮን ኣደታትን ርእዩ ኣሎ። ይኹን'ምበር እዚ ፍቕዲ ኮነ ዓይነት እቲ ዝበጽሕ ዘሎ ጾታዊ ዓመጻት እናወሰኸ ብዝኸደ መጠን፡ ልዑል ስነ ልቦናውን ማሕበራውን ጸቕጢ ከሕድረሉ ከም ዝጀመረ ይዛረብ። \"መዓልታዊ ዝርእዮን ዝሰምዖን ስለ ዝኾነ መዓልታዊ ርእሰይ ይሕመኒ፣ ኣእምሮኣዊ ውጥረት ይገብረለይ፣ ጭንቀት ኣለኒ፣ ስሩዕ ኣመጋግባ የብለይን፣ ነብስኻ ምድርባይን ብዝኾነ ነገር ዘይምሕጓስን'የ ዘስተውዕል\" ይብል። ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 258 ደቂ ኣንስትዮ፡ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝበጽሐን ናብ ሆስፒታል ዓዲ ግራት ሪፖርት ገይረን ከም ዘለዋ ሓካይም እቲ ሆስፒታል ይዛረቡ። ዶክተር ኣታኽልቲ ብዕድመ እታ ዝነኣሰት ጓል 12፣ ዝዓበየት ከኣ ጓል 89 ዓመት ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ንዝኾና ህጻናት ኣዴታትን ሕክምናዊ ሓገዝን ክትትልን ገይሩ'ሎ። ነፍሲ ወከፈን፡ መዓዝ፣ መን፣ ኣበይ መጥቃዕቲ ከም ዘብጽሐለን ኣሚነን ዝነገርኦ ብሚስጢር ዓቂቡ ክሕዞ ሞያዊ ግዴታ ኣለዎ። ከም ሓደ ፍጡር ወዲ ኣዳም ግን በቲ ንሓድሕድ ክሰምዖን ክርእዮን ዝውዓለ ቃንዛ ይርበሽ። \"መብዛሕትአን ኣደታት'የን፤ ደቂ 70 ዓመት፣ ኣንስቲ ቐሺ፣ ቖረብቲ ሰገድቲ ኣለዋ። ክዛረባ ከለዋ ንብዓተን ይቕድመን፤ ንብዓተን ኣብ ክሳደን ዝኣሰርኦ መስቀልን ደረተንን ሓሊፉ ክወርድ ክርኢ ከለኹ ኩሉ ነገር የጽልኣኒ\" ይብል። ካብ ዓዲግራት ልዕሊ 117 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ እትርከብ ከተማ መቐለ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዚያዳ ካልኦት ከባቢታት ትግራይ እቲ ዝሓሸ ኣገልግሎት ጥዕና ዝርከባ እትብሃል'ያ። ኣብ ሆስፒታላት ዓይደር ሪፈራልን ሆስፒታል መቐለን ዝሕከማ ካብ መቐለ ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝመጽኣ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ዝኾና ብኣማኢት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ሆስፒታል ዓይደር ናብ ዝርከብ ማእከል ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ (ዋን ስቶፕ ሴንተር) ልዕሊ 335 ግዳያት ክመጽኣ እንከለዋ፡ ካብዚአን እተን ልዕሊ 140 ጥንሲ ዘቋርጻ ምዃን ነርስ ሙሉ ዝሃበትና ሓበሬታ የረድእ። እተን ግዳያት፡ ብካልኦት ተመሓላለፍቲ ሕማማት ተለኺፈን፣ ተወሳኺ ኣካላዊ መጥቃዕቲ በጺሑወን፣ ስነ ልቦንአን ተጎዲኡ ዓርሰን ክኢለን ክንቀሳቐሳ ዘይኽእላ ኮይነን ስለ ዝመጽኣ፡ ቀዲማ እትረኽበን ሰብ ነርስ እዚ ማእከል ዝኾነት ሲስተር ሙሉእያ። \"ናብ ሰብ ክቕርባ ኣይደልያን፣ ምፍጣረን ጸሊአንኦ'የን፣ ናይ ስነ ኣእምሮ መድሃኒት ዝጀመራ ኣለዋ\" ዝበለት ነርስ ሙሉ፡ እዚ ኩሉ ጸውራ ሒዝካ ምስራሕ ቀሊል ኣይኮነን ትብል። \"ኣብ መዓልቲ ክሳብ 15 ግዳያት እንርእየሉ ኣሎ። ሆስፒታላት ተዘሚቱ ኣገልግሎታት ጠጠው ኢሉ ስለ ዘሎ ጥንሲ ዝንጽላሉ ቦታ፣ መድሃኒት ዝወስዳሉ ኩነታት የለን። በዝን ካልእን ኣብዚ ሰዓት ህዝቢ ትግራይ ውንኡ ጠፊኡዎ'ዩ ዘሎ፤ኣነ'ውን ውነይ ጠፊኡኒ'ዩ\" ኢላ። ማእከል ሕክምና ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ [ዋን ስቶፕ ሴንተር] ናይ ባዕሉ ክኢላ ማሕበራዊ ዕዮን ስነልቦናን፣ ዓቃቢት ሕጊ፣ ሓኪምን ፖሊስን ዘለዎ ዝተዋደደ ኣገልግሎት ዝህብ ማእከል ስለ ዝኾነ፡ እተን ግዳያት ዝሓሸ ኣግለግሎት ክረኽባ ሓጊዙወን'ዩ። ይኹን'ምበር፡ መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ባህሊ ጸቕጢ ስለ ዘሕድረለን ደፊረን ናብ ሕክምና ብምምጻእ እቲ ዝበጽሐን መጥቃዕቲ ዝዛረባ ውሑዳት ምዃነን እቶም ሰብ ሞያ ይዛረቡ። ብሰንኪ ክብደትን መጠንን ናይቲ ጸገም፡ እቶም ሰብሞያ ነዊሕ ሰዓታት ክሰርሑ ከም ዝግደዱን፡ በዚ መሰረት ንሂወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ነቲ ኣብቲ ክልል ተኣዊጁ ዝርከብ ሰዓታት እቶ እቶ ከም ዘየኽብሩ ነርስ ሙሉ ትዛረብ። \"ንገዛ ክኸድ ከለኹ፡ ኩሉ'ዩ ምሳይ ዝኸይድ። ነፍሲ ወከፍ ክሕክማ ዝውዓልኩ ሽማ፣ ኣካላታ ፈጺመ ኣይርስዖን። ቀትሪ ምሳይ ለይቲ ምሳይ'የን። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝባነን ስለ ዝበጽሐ ንሳተን ይገዳ እምበር፡ እቲ ቓንዛ ንኹላትና ጸሊዩና'ዩ\" ብምባል ኣብ ቅድሚ ስድራ ቤታ ብዛዕባ ውዕሎኣ ከም ዘይትዛረብ ኣውጊዓትና። ንኡሽቶ ነገር ረኺበ ዝሕጎስ ዝነበርኩ ኣብዚ ኣገልግሎት ካብ ዝጽመድ ንነጀው \"ዋላ ንስድራይ ወይ መሓዙተይ ረኺበ'ውን ኣይሕጎስን\" ዝብል ዶክተር ኣታኽልቲ ብወገኑ፡ ወትሩ ነቲ ዝመጽእ ወለዶ እንታይ ኢና ክንነግሮ? ዓለም እቲ ዝፍጸም ዘሎ ክትኣምኖ ድያ እናበልኩ'የ ዝሓስብ ይብል። \"ኣብ ሕሉፍ ሓደ ቖልዓ ሓኪመ ሓውዩ ክርእዮ ሻሂ እናሰተኹ ደስ ኢሉኒ የውግዓሉ ነይረ፤ ሎሚ ግን ድኽም ሓዲረ'ውን ኣየውግዐሉን። ዕግበትን ባህታ ዝፈጥር ስምዒትን የብለይን፤ ብኣንጻሩ ተስፋ ምቑራጽ'ዩ ዝስምዓኒ። ከነገልግል ስለ ዘለና'ዩ እምበር እናጨነቐኒ'የ ዝኸይድ\" ክብል ተስፋ ብዝቖረጸ ኣንደበት የውግዕ። ሆስፒታላትን ትካላት ጥዕናን ትግራይ ከቢድ ዕንወት ካብ ሞንጎ ዝበጽሖም ብቐዳምነት ዝርቁሑ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝወሃበሎም ቦታታት'ዮም። ካብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳብ ክሳብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት ዓለምለኸ ማሕበር ዶብ ኣልቦ ሓካይም ኣብ 106 ትካላት ጥዕና ብዘካየዶ ዳህሳስ፡ ኣስታት 70 ሚኢታዊት ተዘሚቶም፤ 30 ሚኢታዊት ዓንዮም ከም ዝረኸቦም ገሊጹ'ዩ። እዚኦም፡ ኮነ ተባሂሉ \"ዝተዘምቱን ዝዓነዩን'ዮም\" ክብል እንከሎ፡ ህዝቢ እቲ ክልል ውሑዳት ኣማራጺታት ሕክምና ጥራሕ ሒዙ ከም ዝተረፈ ገሊጹ ነይሩ። \"ናይ ሽንትን ደምን መርመራ እንገብረሉ፣ መድሃኒት ኣብ ዘይንረኽበሉ ደረጃ ኢና ንርከብ። ተሓከምቲ ንሰለስተ ኣርባዕተ መዓልቲ ሪጋ ሒዞም'ዮም ዝውዕሉ፤ ንኡሽቶ መድሃኒት'ውን እያ ዕንቊ ኮይናትና ዘላ\" ዝብል ዶክተር ኣታኽልቲ፡ ሕጽረት ሰብሞያ'ውን ብምህላዩ ቑጽሪ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ምብዝሑ ንኹሉ ከም ዘኽበዶ ይዛረብ። እተን ግዳያት፡ ኣብ ትሑት ብርኪ መነባብሮ ዝርከባ፣ ብምኽንያት እቲ ኲናት ሓወን ወይ ወለደን ዝተቐተሉወን ክኾና እንከለዋ፡ ካልኦት ናይ ቆርበት ሕማማትን ቅልውላው ድሕረ ስንባደን ዘማዕብላ ኣለዋ። \"ዝበዝሕ ግዜ ንጉሆ ኣትየ ከይመሳሕና ውዒልና፡ እንሓድረሉ ኩነታት ስለ ዘሎ ዳርጋ ዝበዝሕ ህይወተይ ኣብቲ ሆስፒታል'ዩ። ካብ ርሑቕ ስለ ዝመጽኣ ገዲፍካየን ክትኸይድ ኣይትኽእልን፤ ይበኽያ እየን። ገዛ ክኣቱ ከለኹ ኩሉ ስለ ዝርብሸኒኣይድቅስን። ማሕበራዊ ናብራ ዝብሃል የለን\" ይብል ዶክተር ኣታኽልቲ። ማእከል ሕክምና ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ [ዋን ስቶፕ ሴንተር] ናይ ባዕሉ ክኢላ ማሕበራዊ ዕዮን ስነልቦናን፣ ዓቃቢት ሕጊ፣ ሓኪምን ፖሊስን ዘለዎ ዝተዋደደ ኣገልግሎት ዝህብ ማእከል ስለ ዝኾነ፡ ግዳያት ብሕትዉ ኢለን ክውል ክብላ ሓጊዙወን። ይኹን'ምበር፡ መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ባህሊ ጸቕጢ ስለ ዘሕድረለን ደፊረን ናብ ሕክምና ብምምጻእ እቲ ዝበጽሐን መጥቃዕቲ ዝዛረባ ውሑዳት'የን። \"ናይ መን ቆልዓ ክነዕቢ ኢለን ምጥናሰን ዝፈለጣ ንከቋርጻ ክመጽኣ ከለዋ'ዩ ዝፍለጥ እምበር ብዙሓት ተስፋ ቖሪጸን ፍትሒ ኣይረክብን ኢለን ፎቖድኡ ስቓየን ሓቢአን ዝተረፋ ኣለዋ'የን\" ትብል ነርስ ሙሉ። እታ ነርስ እቲ እትሰርሐሉ ዘላ ማእከል ልዕሊ ዓቕሙ ኣገልግሎት ይህብ ከም ዘሎ'ያ ትዛረብ። ኣብ መንጎ ሓላፍነቶምን ስምዒታቶምን ዝተቐርቀሩ ሰብሞያ ዶኳትርን ነርሳትን ብዛዕባ ውልቃዊ ስምዒታቶምን ድኻሞምን ንምሕሳብ ኮነ ንምሕዛን ብዙሕ ግዜ የብሎምን። ስለ ዝኾነ መብዛሕትኦም፡ ቑስሎም ሓቢኦም ነቲ ካባይ ይገድድ ዝብሉዎ ሕብረተሰብ የገልግሉ፤ ከምቲ ነርስ ሙሉ እትብሎ ከኣ \"ሕዚ ከም ልብኻ'ውን ተዛሪብካ ክትኸይድ\" ኣይትኽእልን። \"ተናጊርካ'ውን ዝሕግዘካ የለን፤ እቲ ዝፍጠር ዘሎ ምስተፈጥረ ክሕግዘካ ዝብለካ ከኣ ቓንዛኻ'ዩ ዝውስኾ። ስራሕና ኩሉ ሰለጤን የብሉን፤ ህዝቢ ብሓይሉ'ዩ ዝነብር ዘሎ\" ብምባል ሕርቃን ብዘድምጽ ኣንደበት ተዛሪባ። ሓኪም ሆስፒታል ዓዲ ግራት ዶክተር ኣታኽልቲ፡ ኣገልግሎት ቴሌፎንን መብራህትን ብተዳጋጋሚ ዝቋረጽ'ኳ እንተኾነ፡ ሓፈሻዊ ማይ ዝብሃል ዘይምህላው ዓብዪ ጸገም ከም ዝኾኖም ይጠቅስ። \"ዓደይን ህዝበይን'ዩ ብዝብል ሓቦ'ዩ ዝስራሕ ዘሎ እምበር ሰሪሕና ኢድና እንሕጸበሉ ማይ'ኳ የለን። መብራህቲ ስለ እትጠፍእ ኣብ ከተማ ባንን እንጀራን ዘይንረኽበሉ መዓልታት ኣሎ። ለስላሳ ሰቲና እንሰርሐሉ ኩነታት ኣሎ፤ ብመንጽር ኣብቲ ካልእዝበጽሕ ዘሎ ግን ንሕና ንሕሽ\" እዩ ዝብል። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ግን ይብል ዶክተር ኣታኽልቲ፡ \"ኩሉ ህይወትና ሕልሚ ኮይኑ፤ ንኡሽቶ መድሃኒት ምርካብ፣ መብራህትን ካልእ ነገራትን ሕልሚ ኮይኑ\"። ንልዕሊ 10 ዓመታት ብሞያ ነርስ ዘገልገለት ሲስተር ሙሉ ኣብ ክሊ እዞም ኩሎም ተደራረብቲ ጸገማት ሓደ ተስፋ ዘስንቓ ነገር ኣሎ። \"ካብቲ ዓማጺአን ወጺአን እቲ ኣእምሮአን ጨቢጡ ሒዙወን ዝጸንሐ ነገር ውሑዳት ቃላት ተናጊረን ተንፊሰንኦ እፎይ ክብላ እንከለዋ፡ ፍኹስ ይብለኒ። ህይወተን ዘይፈልጣ ዝነበራ ሐዚ ብእግረን ክኸዳ ክርእየን ከለኹ ከኣ ይሕጎስ\" ኢላ። እዞም ሰብ ሞያ ሕክምና፡ እቲ ቁሩብ ፍኹስ ክብሎም ጀሚሩ ዝነበረ ሻቕሎት መሊሱ ዝዓርግ ግን ዳግም ሓደሽቲ ናብዮት ዝደልያ ግዳያት ክመጽኣ እንከለዋ'ዩ። ንኣስታት 6 ኣዋርሕ ቀጺሉ ዘሎ ኲናት ትግራይ ኣብቲ ክልል ሰፊሕ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ፈጢሩ ከም ዘሎ ይፍለጥ። ኣብቲ ብ3 ሕዳር 2020 ዝተወለዐ ግጭት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝሞቱን፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ መረበቶም ከም ዝተፈናቐሉን ይግለጽ። ልዕሊ 60,000 ድማ ናብ ሱዳን ብምህዳም ክዕቆቡ ተገዲዶም ኣለዉ። ኣብቲ ኲናት ተኻይዱ ዝብሃል ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽን፡ ጭውያን ብናጻን ዘይሻራውን ኣካል ክምርመርን፡ ፈጸምቶም ክሕተቱን ኣመሪካ፡ ሕብረት ኣውሮጳን፡ ጉጅለታት ተጣበቕቲ መሳላትን ክጽውዑ ምጽንሖም ይፍለጥ። ካብቶም ቀንዲ ግዳያት ናይዚ ክሳብ ሕጂ ዘይዘረየ፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ብህወሓት ዝምርሑ ሓይልታት ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ደቂ-ኣንስትዮ እየን። ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ተጣበቕቲ ጉጅለታት፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ጾታዊ ዓመጻት ይካየድ ምህላዉ ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ጾታዊ ዓመጻት ይፍጸሙ ከምዘለዉ ብምእማን፡ ነቲ ገበናት ዝፈጸሙ ወተሃደራቱ እንተልዮም ስጉምቲ ክውሰደሎም ምዃኑ ቃል ኣትዩ ነይሩ። \"ኣብ ትግራይ ጾታዊ ዓመጽን ዝምታን ከም ዝተፈጸመ ዝገልጹ ጸብጻባት ኣለው። ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኮይኑ ኣብ ትግራይ ደቂ ኣንስትዮ ዝዓመጸን ንብረት ዝዘመተን ወተሃደር ብሕጊ ክሕተት እዩ\" ኢሉ። ኣብቲ ክልል ኣትዮም ዝርከቡ ሓይልታት ኤርትራ'ውን፡ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሞም ዝብል ክስታት ይቐርበሎም'ዩ። ይኹን እምበር፡ ኤርትራ እቲ ክስታት \"ስኑዕ'ዩ\" ብምባል ትነጽጎ። ኣብ ሆስፒታላት ዓይደር ሪፈራልን ሆስፒታል መቐለን ዝሕከማ ካብ መቐለ ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝመጽኣ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ዝኾና ብኣማኢት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዘለዋ ጸብጻባት ይገልጹ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ሆስፒታል ዓይደር ናብ ዝርከብ ማእከል ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ (ዋን ስቶፕ ሴንተር) ልዕሊ 335 ግዳያት ክመጽኣ እንከለዋ፡ ኣብ ሆስፒታል ከተማ ዓዲ-ግራት'ውን ልዕሊ 140 ከምዝነበራ ሰብሞያ እተን ትካላት ይሕብሩ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/56716186"} {"headline":"ጾታዊ ዓመጽ፡ ኣዳላዊ ፊልሚ ሆሊዉድ ሃብቱ ጾታዊ ግህሰት ንዝፈጸመለን ክከፋፈል ተወሲኑ","content":"ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ብምፍጻም ዝተኸሰሰን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብን ፍሉጥ ኣዳላዊ ['ፕሮድዩሰር'] ፊልምታት ሆሊውድ ሃርቨይ ዊንስቲን፡ ካብ ዝነበሮ ሃብቲ እቲ ናይ ሓደ ኩባንያ 17 ሚልዮን ዶላር ንግዳያቱ ክከፋፈል ተወሲኑ። እቲ ኩባንያ ኪሳራ ከምዘጋጠሞ ብምግላጽ ይዕጾ ዝነበረ ኮይኑ፡ 'ዊንስቲን ኮ' ብዝብል ይፍለጥ። ኪሳራ ከምዘጋጠሞ ወግዓዊ ብምግባር ይዕጾ ኣብ ዘለወሉ እዋን ዝተርፎ ገንዘብ ከኣ ጾታዊ መጥቃዕቲ ንዘብጸሐለን ግዳያቱ ንኽከፋፈል ውሳነ ተዋሂቡ። ኣብ ኣሜሪካ ነቲ ጉዳይ ዝከታተል ዳኛ፡ ኩባንያ 'ዊንስቲን ኮ' ምስተዓጸወ ዝተርፍ 17 ሚልዮን ዶላር እተን ግዳያት ክማቐልኦ ወሲኑ'ሎ። ወዲ 68 ዓመት ዊንስቲን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስተኸሰሰ ማእሰርቲ 23 ዓመታት ከምዝተፈረዶ ይዝከር። ኩባንያ 'ዊንስቲን ኮ' ፊልሚታት ዝዳለወሉ ስቱድዮ ኮይኑ ንኽሰርሕ'ዩ ተጣይሹ። ካብ ሞንጎ መስረትቱ ሓደ ዝኾነ ሃርቨይ ድማ ብጾታዊ ግህሰት ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣትዩ። ኣብ 2017 ስምን ዝናን ሃርቫይ እናተበላሸወ ምስ ከደ እቲ ኩባንያ'ውን ናብ ጸገማት ክቃላዕ ጀሚሩ። ሽዑ ሃርቫይ ሓጋዚቱ ንዝነበረትን ካልእ ተዋሳኢትን ብምድፋር ክሲ ቀሪቡሉ ነይሩ። ኣብዚ እዋን ከኣ ካብቲ ኩባንያ ዝርከብ 17 ሚልዮን ዶላር ን50 ከሰስቱ ከምዝከፋፈል ተፈሊጡ። ናብዚ ውሳነ ዝተበጽሐ ድማ ከሰስቱ ድምጺ ንኽህባ ምስተገበረ ኮይኑ፡ ካብ ከሰስቱ እተን 39 ነቲ ገንዘብ ንማቐሎ ኣብ ዝብል ድምጺ ሂበን። እቲ ዓብዪ ኩባንያ ፊልም ዝነበሮ ንብረት፡ 'ላንቴርን' ንዝተባሃለ ትካል ምዝንጋዕ ['ኢንተርቴይንመንት'] ብ289 ሚልዮን ከምዝሸጠ ይግለጽ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55807177"} {"headline":"በዓልቲ ቤት ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊስ ሲንጋፖር ንሰራሕተኛኣ ከምዝቐተለታ ተኣሚና","content":"ብዓልቲ ቤት ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊስ ሲንጋፖር፡ ነታ ካብ ማያንማር ዝምጽአት ናይ ገዛ ሰራሕተኛኣ ብጥምየት ከም ዝቐጽዓታ፣ ከም ዝሃረመታን ኣብ መወዳእታ ከም ዝቐተለታን ተኣሚና። እታ ሰራሕተኛ ኣብ 2016 ክትመውት እንከላ በቲ ዝወርዳ ዝነበረ ስቃይን ጥምየትን 24 ኪሎ ግራም ትምዘን ምንባራ ፖሊስ ሲንጋፑር ገሊጹ። ኣኽባሪ ሕጊ ሲንጋፑር ነቲ ጋይታሪ ሙሩጋያን ዝተባህለት በዓልቲ ቤት ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊስ ሲንጋፖር ዝተፈጸመ ቅትለት \"ዘይሰብኣውን ሰይጣናዊ ስራሕን\" ኢሉ ገሊጽዎ። ኣብ ሲንጋፖር ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ናይ ገዛ ዝፍጸሙ በደላት እቲ ብብዝሒ ናብ ፖሊስ ዝበጽሕ ጥርዓናት እዩ። ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዛዕባ እተን ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ናብ ሲንጋፖር ናይ ገዛ ስራሓት ክሰርሓ ዝመጽኣ ናይ ገዛ ሰራሕተኛታት ኣብ ልዕሊአን ዝፍጸም ተደጋጋሚ በደላት ኣዝዩ ከም ዘሻቐሎም እዮም ዝጠቅሱ። እታ ነዚ ገበን ዝፈጸመት ጓል 40 ዓመት ጋይታሪ ሙሩጋያን 28 ዝተፈላየ ክስታት እዩ ቀሪብላ ዘሎ። በዚ ክሳብ ሕጂ ዝኣመነትሉን ዝተረኸባ መርትዖን ኸኣ ንሕልፈት ክትፍረድ ከም እትኽእል እዩ ዝግመት። እታ ብበዓልቲ ቤት ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊስ ዝተቐተለት ካብ ምያንማር ናብ ሲንጋፖር ዝመጽአት ግዳይ ፕያንግ ንጋይህ ዶን ትብሃል። ምስ ጋይታሪ ሙሩጋያን ኸኣ ካብ 2015 ጀሚራ ክትሰርሕ ጀሚራ። ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝነበረ መጋባእያ ብምክትታል ማዕከናት ዜና ሲንጋፖር ከም ዝጸብጸብኦ፡ ጋይታሪ ሙሩጋያን ንሰራሕተኛኣ ዝሕልቲ ኢኺ ከምኡ'ውን ብዙሕ ትበልዒ ኣለኺ ኢላ ካብ ጥቅምቲ 2015 ጀሚራ ክትሃርማ ከም ዝጀመረት ጠቒሰን። እቲ ቤት ፍርዲ ኣብቲ ገዛ ዝተገጠመ ንመዓልታዊ ንጥፈታት ዝመልእ ካሜራ (ሲሲቲቪ) ተመልኪቱ ከም ዘረጋገጾ፡ ኣብቲ ቅድሚ ሞታ ዝነበረ ኣዋርሕ ኣብ መዓልቲ ብተደጋጋሚ ትሃርማ ከም ዝነበረትን ብመስታረሪ ዝረሰነ ክዳን ገይራ ተንድዳ ምንባራን ከረጋግጽ ክኢሉ። እቲ ቤት ፍርዲ ብተወሳኺ ጋይታሪ ሙሩጋያን ንሰራሕተኛኣ ልክዕ ከም ረሳሕ ክዳን ትስንድዋ ምንባራ ኣብቲ መጋባእያ ኣብሪሁ። እታ ሰራሕተኛ ኣብቲ ገዛ ኣብ ዝጸነሐትሉ ኣብ ውሽጢ 14 ኣዋርሕ 15 ኪሎ ግራም ከም ዝጎደለትን እዚ ኸኣ 38 ሚኢታዊት ናይቲ ኣቀዲሙ ዝነበራ ሚዛን ከም ዝኾነ ተገሊጹ። እታ ክትቕተል እንከላ ጓል 24 ዓመት ዝነበረት ግዳይ ኣብ ሓምለ 2016 እያ ሞይታ። በዓል ቤታ ንጋይታሪ ሙሩጋያን ከልቪን ቸልቫምን ሓማቱን'ውን ምስ ቅትለት ፕያንግ ንጋይህ ዶን ብዝተሓሓዝ ክሲ ቀሪብሎም ኣሎ። ከልቪኦን ቸልቫም ኣብ 2016 ድሕሪ ቅትለት ፕያንግ ንጋይህ ዶን ካብ ስርሑ ከም ዝተሰጎገ ማዕከናት ዜና ሲንጋፑር ኣቃሊሐን።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56192296"} {"headline":"ወለዲ፡ ወዶም ዝኣከቦ ናይ ወሲብ ፊልሚታት ብምዕናዎም ካሕሳ ክኸፍሉ ተበይኑ","content":"ኣብ ሚሺጋን ዝርከብ ቤት-ፍርዲ፡ ስድራ-ቤት ወዲ 42 ዓመት ናቱ ፖርኖግራፊ (ወሲባዊ ንጥፈት ዘርኢ ምስሊ) ስለ ዝጎሓፍዎ ካሕሳ ክሓትት መሰል ከም ዘለዎ በይኑ። እዚ ዴቪድ ወኪን ዝተባህለ መንእሰይ፡ ምስ ሰበይቱ ምስ ተፋትሐ፡ ምስ ስድርኡ ይነበር ከም ዝነበረን እቲ ንብረት ድማ ዋጋ 25 ሽሕ ዶላር ምዃኑን ይገልጽ። ስድርኡ፡ ነቲ ወሲባዊ ንጥፈት ዘርኢ ስእሊ ወይ ፊልም ናብ ገዛ ሒዝዎ ከይመጽእ ሓቢሮሞ ከም ዝነበሩ ይካትዑ። ብመሰረት እቲ ቤት-ፍርዲ ዝሃቦ ወሳነ፡ ስድራቤት ዴቪድ ንብረት ወዶም ከዕንው መሰል ከም ዘይብሎም ገሊጹ። ዴቪድ፡ ምስ ሰበይቱ ምስ ተፋትሐ ን10 ወርሒ ዝኸውን ኣብ ሚሺጋን ኣብ ገዛ ስድራ-ቤቱ ከም ዝተቐመጠን፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2017 ካብቲ ገዛ ከም ዝወጽአን ይግለጽ። ኣብዚ እዋን ኣብ ኢንድያና ይነብር ኣሎ። ''ካብ ገዛ ስድራ-ቤተይ ክወጽእ እንከለኹ፡ መተካእታ ዘይብሎም መጽሄታትን ፊልምታትን ኣብቲ ገዛ ገዲፈዮ ከይደ፤ ክወስዶም ምስ ተመለስኩ ድማ ተጓሒፎም ጸኒሖምኒ'' ክብል ይዛረብ። ስድራቤቱ ድማ፡ እቲ ንብረት ኣብ መንበሪኦም ከም ዘይደልዩዎ ይሕበሩ። ዴቪድ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2019፡ ስድራቤቱ ብዘይሕጋዊ መገዲ ንብረተይ ኣዕኒዮም ክብል ክሲ መስሪቱ። እቲ ዝዓነወ ንብረት፡ 12 ካርቶን ምሉእ ወሲባዊ ንጥፈት ዘርኢ ፊልምን 1600 ዲቪድን ይርከብዎም። ጠበቓ ስድራቤት ደቪድ፡ እቶም ስድራ ዘብጽሕዎ ዕንወት ንምግምጋም ምስ ክኢላታት ክዘራረብ ምዃኑ ሓቢሩ። ዴቪድ'ውን ነቲ ዝደልዮ ካሕሳ ኣብ ወርሒ ለካቲት ናብ ቤት-ፍርዲ ከቕርቦ ተሓቢሩ'ሎ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/55375088"} {"headline":"ጥራሕ ነብሳ ደቂሳ ንዝነበረት ጓል ኣንስተይቲ ዝሰኣለ ሰብ ኣብ ፍርዲ ቀሪቡ","content":"ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ሓደ ሰብኣይ ሃለዋታ ኣጥፊኣ ክዳን ዘይብላ ዝነበረት ጓል-ኣንስተይቲ ብቪድዮ ብምስኣሉ ድሕሪ ናይ ሓምሽተ ዓመት ጎስጓስ ኣብ ፍርዲ ቀሪቡ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ። እዚ ክሪስቶፈር ኪሊክ ዝተባህለ ወዲ 40 ዓመት፡ ኣብ 2015 ንኤምሊይ ሃንት ዝተባህልት ጓል ኣብ ሎንደን ኣብ ዝርከብ ሆቴል ን62 ካልኢት ዝኸውን ብቪድዮ ቀዲሕዋ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ጉዳዩ ብቤት-ፍርዲ ይግባይ ክሳዕ ዝርአ፡ ነቲ ሰብኣይ ዝኾነ ዘይሕጋዊ ነገር ኣይገበርካን ኢሎም ኣብ ፍርዲ ኣየቕረብዎን። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ክሪስቶፈር ኪሊክ፡ 'ካልኦት ሰባት ወሲብ ክፍጽሙ ከለው ብምስጢር ብምዕዛብ ንወሲባዊ ዊንትኡ ዜቋድስ' ተባሂሉ ገበነኛ ኮይኑ ስለዝተረኽበ፡ ንሰላሳ ወርሒ ኣብ ኮማዊ ማሕበር ክሰርሕን £2,000 ፓውንድ ክኸፍልን ተኣዚዙ ነይሩ። ኣብ ኣስታድፎርድ ዝርከብ ቤት-ፍርዲ ግን፡ ንኤምሊይ ሃንት £5,000 ካሕሳ ክኸፍላ ከምዘለዋን ንሓምሽተ ዓመት ኣብ መዝገብ ጾታዊ ዓመጽ ተመዝቢቡ ክጸንሕን በይኑ'ሎ። ኤምሊይ ሃንት፡ ኣብ 2015 ኣብቲ ሆቴል ብኸመይ ከምዝኣተወት ዝኾነ ተዘክሮ ከምዘይብላ'ያ ትሕብር። ንሳ፡ ሓሺሽ ከምዝተዋህባን ጾታዊ ዓመጽ ከምዝፈጸመላን እያ ትገልጽ። ክሪስቶፈር ኪሊክ፡ ኣብቲ መጀመርታ ተኣሲሩ ከምዝነበረን፡ እንተኾነ፡ ፖሊስ እኹል መርትዖ ብዘይምርካቦም ነቲ ጉዳይ ገዲፎሞ ነይኖም። ምስታ ጓል ዝተገብረ ጸታዊ ርክብ ግን ናይ ሓባራዊ ስምምዕ ከምዝነበረ'ዩ ዝገልጽ። ፖሊስ፡ ኣብ እዋን መርመራ ነቲ ቪድዮ ከምዝረኸቡን፡ ንሱ ድማ ንጾታዊ ዊንትኡ ንምርዋይ ከምዝሰኣሎን ገሊጹ ነይሩ። ናይ ይግባይ ቤት-ፍርዲ ግን፡ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ፡ ብዘይ ኣፍልጦን ፍቓድን ሰብ ቪድዮ ምቕዳሕ ሕጋዊ ከምዘይኮነ ፈሪዱ። እታ ግዳይ ንቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦቶ ዘረባ፡ ተግባራት ክሪስቶፈር ኪሊክ ንህይወታ ከምዘዕነዎን፡ እቲ ናይ ቤት-ፍርዲ መስርሕ ድማ ኣዝዩ \"ዝርብሽን ነብስኻ ዘማስንን\" ክትብል ገሊጻቶ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54021633"} {"headline":"ዘቤታዊ ዓመጽ፡ 'ሰብኣየይ ንህይወተይ የስግኣኒ'ዩ'","content":"ዛርካ፡ ንልዕሊ 10 ሳምንታት ድሕሪ ዘሕለፈቶ መሪር ቓንዛ ጭላንጭል ተስፋ ክትርኢ ጀሚራ ኣላ። ነቲ ዝተበላሸወ ገጻ ንምሕዋይ ድሕሪ ዝተኻየደ ከቢድ መጥባሕቲ \"ሕጉስቲ'የ፤ ኣፍንጫይ ተተኪኡለይ ኣሎ . . . ጽቡቕ'ዩ\" ኢላቶም ነቶም ኣፍንጭኣ ዳግም ዝተኸሉላ ሓካይም። ሕጂ፡ ኣፍንጭኣ ተሰፍዩ እያ ብመስትያት ትርእዮ ዘላ። ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ዘቤታዊ ዓመጽ ልሙድ እዩ። ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዘመላኽቶ 87 ሚኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋን ካብ ኣካላዊ፣ ጾታውን ስነ ልቦናውን መጥቃዕታት ሓዲኦም ይበጽሐን ይብል። እቲ ዝኸፍአ፡ ብሰብ ሓዳረን ወይ'ውን ደቂ ተባዕትዮ ኣዝማደን ዝበጽሕ ናይ ኣሲድ ወይ'ውን ካራ መጥቃዕቲ እዩ። ዛርካ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ብበዓል ቤታ ዝበጽሓ ጾታዊ መጥቃዕቲ ካራ ገይሩ ኣፍንጭኣ ምቑራጹ እዩ። \"በዓል ቤተይ ምስ ኹሉ ሰብ እዩ ዝጥርጥረኒ\" ትብል። ካብዚ ብዝብገስ ዳርጋ መዓልታዊ ብዘይወዓለቶ ይሃርማ፤ ጭካነ ዝተመልኦ ማህረምቲ የብጽሓላ። \"ዘይትሓንኪ ሰብ ኢኺ ይብለኒ ነይሩ፤ ኣነ ግን ኩሉ ዝብሃል ሓቂ ኣይኮነን ይብሎ ነይረ\"። ዛርካ ኣብ ሓዳር 10 ዓመት ክትገብር እንከላ ወዲ 6 ዓመት ቖልዓ ኣፍርዮም'ዮም። እዛ ጓል 28 ዓመት መንእሰይ ማህረምቲ ሰብኣያ ለሚዳቶ ይኹን ድሓን ኢላ ናብርኣ ክቕጽል እንተኣፍቀደት'ውን ክሳብ ክንድዚ ክጭክን እዩ ኢላ ግን ኣይገመተትን። \"ሎሚ መዓልቲ ኣፍንጫይ ብመስትያት ምስርኣኹዎ፡ ብዙሕ ለውጢ እየ ርእየሉ\" ክትብል ድማ ንቢቢሲ ተዛሪባ። ሰለስተ ሰዓታት ዝወሰደ መጥባሕቲ ክግበረላ እንከሎ ነብሳ ኣይትፈልጥን ነይራ። ኣብታ ብኲናት እትዓኑ ዘላ ኣፍጋኒስታን ካብ ዘለው ውሑዳት ክኢላታት መጥባሕቲ ገጽ ሓደ ዝኾነ ዶክተር ዛልማኒ ክሃን ኣህማድዚ፡ ዛራክ ብዘርኣየቶ ምምሕያሽ ከም ዝድነቕ እዩ ዝዛረብ። \"እቲ መጥባሕቲ ብሰላም እዩ ተዛዚሙ። ዝተፈጥረ ረኽሲ ኣይነበረን . . . ቁሩብ ቁጥዐ ነይሩዎ ግን ብዙሕ ጸገም ዘምጽእ ኣይኮነን\" ኢሉ። ንዝሓለፈ 10 ዓመት ዶክተር ዛልማኒ ብሰብኡተን፣ ኣቡአንን ወዲ ተባዕታይ ሓወንን ኣብ ኣካላተን ከቢድ ጉድኣት ዝበጽሐን ደቂ ኣንስትዮ ሓኪሙ'ዩ። ብሕጊ እስላም፡ ኣካላዊ መጉዳእቲ ምውራድ ፍቑድ'ኳ እንተዘይኮነ እዚ ኣረመናዊ ተግባር ግን ብሰፊሑ እዩ ዝርኣይ። ዛርካ፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ፓኪስታን ኣብ እትርከብ ከባቢ ካብ ዝነብር ድኻ ስድራ ቤት እያ መጺኣ። ምንባብን ምጽሓፍን ኣይትኽእልን። እታ ኬርኮት ዝተባህለት ዓዲ ሙሉእ ንሙሉእ ኣብ ትሕቲ ጣሊባን እያ ዘላ። ኣብ ሞንጎ ፖለቲከኛታት እቲ ከባብን እቶም ዕጡቓትን ዝተገብረ ልዝብ ናብ ካቡል መጺኣ ሕክምና ክትረክብ ኣኽኢሉዋ። ኣብቲ እዋን ዶክተር ዛልማኒ በዓልቲ ቤቱ ብኮሮናቫይረስ ሞይታቶ ተጎዲኡ እዩ ነይሩ። እዚ ወዲ 49 ዓመት ዶክተር ግን ንበዓልቲ ቤቱ ቀቢሩ ናብ ስራሕ ክምለስ እንከሎ ዛርካ'ውን ኣብኡ በጺሓ ነይራ። \"መጀመርታ ክትመጽኣ እንከላ ዝነበረ ኩነታት ኣዝዩ ሕማቕ'ዩ፤ ኣፍንጭኣ ተጎዲኡ'ዩ ነይሩ\"። ብ15 ሰነ ናብቲ ሆስፒታል ዝመጽአት ዛርካ ዳርጋ ንሰለስተ ሰሙን ዝተፈላለየ ቫይታሚናት ዘለዎም ከኒናታት ክትወስድ ብምጽናሕ ብ21 ሓምለ መጥባሕቲ ገጽ ተገይሩላ። ዛርካ ብዛዕባ እቲ ዝበጽሓ ዘሰንብድ ዘቤታዊ መጥቃዕቲ ንክነዘንትዎ ፍቓድ ሂባትና እያ። በዓል ቤታ ብዕድመ መሓዝኣ ከም ዝኾነ ትዛረብ። ናይ ካልኦት ሰባት ጥሪት ብምጉሳይ እቶት ከም ዝረክብ'ውን ገሊጻ። \"ብቖልዓይ ኣኮይ ኣሕጺዩኒ። ኣብቲ ዕድመ ንሱ ብዛዕባ ህይወት ይኹን ሓዳር ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረን። ቖልዓ ክንደይ ዓመት ከም ዝነበርኹ ግን ኣይዝክሮን\" ትብል። ንክትምርዖ ናታ ፍቓድ ዝሓተታ ከም ዘይነበረ'ውን ትዛረብ። ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት'ያ ኣኮኣ ብላውጣ ሓንቲ ካብ ኣርባዕተ ኣሕዋት በዓል ቤታ ከም ዝተመርዓዋ ፈሊጣ። \"ኣኮይ ገዝሚ ክህብ ስለ ዘይክኣለ፡ ንስድራ እቶም ጓል ዝሃቡዎ [ንናይ ሕጂ በዓል ቤታ] ኣመርዒውኒ\" ትብል። ገለ ስድራቤታት ኣፍጋኒስታን ካብ መርዓዊ ገንዘብ ይቕበሉ'ዮም። ሕጋዊ ኣይኮነን ግን ድማ እቲ ልምዲ ሰፊሕ እዩ። ድሕሪ መርዓ፡ ዛርካ በዓልቤታ ምኽንያቱ እንተዘይፈለጠት'ውን ኣብ ልዕሊ ኩለን ኣሕዋቱ መጥቃዕቲ ከብጽሕ ትዕዘቦ ነይራ። \"ውሉፍ ኣይኮነ ጸገም ጥዕና ኣይእምሮ ኣይብሉ፤ ጥዑይ ሰብ እዩ\" ትብል። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ካብ ሓደ ንላዕሊ ምምርዓው ዘይፍቀድ ኮይኑ፡ ሓዳር ምስ መስረቱ ኣብ ሓደ ዓመቶም በዓል ቤት ዛርካ ካልእ ሰበይቲ ክምርዖ ይደሊ። ዛርክ፡ \"ንዓይ ከም ዘይፈተወኒ ብምግላጽ ምስ ካልእ ክምርዖ እየ ኢሉኒ፤ ገይሩዎ ከኣ\" ትብል። በዓል ቤት ዛርካ ግን እኹል ገንዘብ ኣዋህሊሉ ንስድራቤት እታ ሓዳሽ ዝተመርዓዋ ሰበይቲ ክኸፍል ስለ ዘይክኣለ፡ ሕርቃኑን ስግኣቱን ኣብ ልዕሊኣ ከንፍሶ ከም ዝጀመረ ትዛረብ። \"ስለ ዝሃርመኒ ኣዝየ ይፈርሕ\"። ባህርያት በዓል ቤታ እናተቐየረ ብምምጽኡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ተመሊሳ ናብ ገዛ ወለዳ ትኣቱ፤ ወላዲ ኣቡኣ ድማ ብሰላም ካብዚ ሰብ ንከፋትሓ ትምሕጸኖ። ናብ ገዛ ወለዳ ክትከይድ እንከላ ፍቓድ ዘይሓተተቶ ሰብኣያ ድማ ኣለሻ ጀሚሩ። \"ንሓደ ለይቲ ምስ ጠፋእኩዎ፡ ምስ ወግሐ ካራ ሒዙ ናብ ገዛ ወለደይ መጺኡ። ንኣቦይ ሰበይተይ መልሰለይ እናበለ ይጭቕጭቖ። ምስክር ክሳብ ዘምጽእ ግን ኣይንህበካን ኢሉዎ\" ትብል። ከምቲ ዝተባህሎ ድሕነታ ከም ዝሕልው ቃል ዝኣትው ሰባት ሒዙ ብምምጻእ'ኳ መሊሱ እንተወሰዳ ዝመሓየሽ ኩነታት ግን ኣይነበረን። \"ምስተመለስኩ ደጊሙ ሃሪሙኒ፤ ብካራ ኣፈራሪሑኒ። ኣፍንጫይ ክቐርጸኒ የፈራርሐኒ ስለ ዝነበረ ሃዲመ ናብ ጎረቤት ተዓቊበ\"። ንግዝኡ ጎረባብቲ ኣትዮም ነገራት ክሃድኡ እንተገበሩ'ውን ዘላቒ ኣይነበረን። ኣብቲ ግዜ ናብ ወለዳ ከም ዝመልሳ ሚሒሉ ጥሒሉ ክወስዳ እንከሎ፡ ንሱ ግን ናብ ካልእ ገዛ ወሲዱዋ። \"ናበይ ኢኺ ትሃድሚ ዘለኺ ኢሉ ይጎተኒ፤ ናብ ድሕሪ እቲ ዝወሰደኒ ዘሎ ገደና ጎቲቱ ብምውሳድ ካብ ጁባኡ ንኡሽቶ ካራ ኣውጺኡ ኣፍንጫይ ቖሪጹዎ\"። ካብ ፍቓደይ ወጻኢ ኸይድኪ ኣሕፊርክኒ ኢኺ ብምባል ኣካላዊ መጉዳእቲ ከም ዘብጽሓላ ትዛረብ። ኣፍንጭኣ ቖሪጹ እናደመየት ገዲፉዋ ከም ዝኸደ ገሊጻ። \"ከቢድ ስቓይ ነይሩዎ፤ ብብዝሒ ድማ መድመይቲ ነይሩዎ። ምትንፋስ ይጽገም ነይረ\" ዛርካ ኣፍንጭኣ ምስ ተቖረጸ ልባ ተሰይሩ 'ግናይ' ኮይነ እየ ዝብል ስምዒት ከም ዝሓደራ ትዛረብ። ወላዲ ኣቡኣን ካልኦት ደቂ ተባዕትዮ ኣዝማዳን ሕነ ክፈድዩ ደልዮም ንሰብኣያ ደልዮም ክረኽቡዎ ኣይክኣሉን። \"ኣቦይን ኣኮታተይን ገዛ ናይቶም ዋሕስ ዝኾኑዎ ሰባት ኣቃጺሎም'ዮም\" ትብል ዛርካ። ስድራ ቤት ዛርካ ንበዓል ቤታ ረኺቦም ሕነ ቅድሚ ምፍዳዮም ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ብምእታው ኣሲሮምዎ። ዛርካ ድሕሪ እቲ ዝበጽሓ ሓደጋ እምበርከ ክድሕን ድየ ዝብል ፍርሒ ነይሩዋ። \"ብመጥባሕቲ ዝጽግኑለይ ኣፍንጫ ዝሃለወ ቅርጺ ይሃልዮ ከምዘይጸልኦ ይሓስብ ነይረ። ኣነ ዝደልዮ ኣፍንጫ እዩ ነይሩ ካልእ ኣይኮነን\" ኢላ። ስእሊ ብደም ዝጠልቀየ ገጽ ዛርካ ብሰፊሑ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ይዝርጋሕ ስለ ዝነበረ'ዩ ዶክተር ዛልማይ እቲ ዝበጽሓ መጥቃዕቲ ክፈልጥ ክኢሉ። ንሱ ብወገኑ ነዛ ግዳይ ብናጻ ክሕክማ ከም ዝኽእል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ጽሒፉ። ብሓገዝ ኣመራርሓ እቲ እትነብረሉ ከባቢ ድማ ኣብ ካቡል ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ክትመጽእ ክኢላ። ዶክተር ዛልማይ ከምዚ ዓይነት መጥባሕቲ \"2 ሽሕ ዶላር እዩ ዝሓትት። 500 ዶላር ዋግኡ መድሓኒት'ውን ዓዲገዳ። ክንገብሮ ኣይክኣልና ካብቲ ዝኣተወቶ ፍርሒ ከናግፋ ዝኽእል ስነ ልቦናዊ ሓገዝ እዩ\" ኢሉ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ ስድራ በዓል ቤታ ብዛዕባ ዘሎ ውላዳ እያ እትጭነቕ። \"ንሰለስተ ወርሒ ዝኣክል ወደይ ኣይርኣኹዎን። ይፈትዎ'የ፤ ምሳይ ክኸውን እየ ዝደሊ። ወለደይ ከም ዝወሰዱዎ ፈሊጡ ተመሊሱ መጺኡ ንከየጥቅዐኒ ስለ ዝፈርሑ እቲ ቖልዓ ግደፍዮ ብዛዕብኡ ኣይትጨነቐኒ እዯም ዝብሉኒ. ኣነ ግን ኣይክኣልኩን\"። ወሲኻ፡ \"ኣነ ምስኡ ክነብር ዘይኮነ ካብኡ ናጻ ክኸውን እየ ዝደሊ። ክንፋታሕ ከለና ግን ወደይ ኣይህበንን። እዚ እዩ ድማ እቲ ዘጨንቐኒ\" ኢላ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53646783"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዘብጽሑ ገበነኛታት ዝምዝገብሉ ስርዓት ተግባራዊ ክኸውን'ዩ","content":"ሚኒስትሪ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህጻናትን መናእሰይን ኣብ መሪሕ ትልሚ ዝቕጽሉ 10 ዓመታት ካብ ሞንጎ ዘስፈሮም መደባት ፖሊስ ሓይሊ ዕማም ጸረ መጥቃዕትን ስርዓት መረዳእታ ኣድራሻ ብሄራዊ ጥቕዓትን ተግባራዊ ምግባር ዝብሉ ይርከቡዎ። እቲ ሚኒስትሪ ኤጀንሲ ኩለ መዳያዊ ተጠቃምነት ህጻናትን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ህጻናትን ንምዝርጋሕ መደብ ከም ዘለዎ'ውን ኣፍሊጡ። ብቐንዱ ግን፡ ፖሊስ ሓይሊ ዕማም ጸረ መጥቃዕትን ስርዓት መረዳእታ ኣድራሻ ብሄራዊ ጥቕዓትን እንታይ'ዩ? ክንብል ሓቲትና። ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ሚኒስትሪ ኣቶ ኣድነው ኣበራ፡ ካብ ቢሮ ፍትሒ፣ ጥዕናን ማሕበራዊ ጉዳይን ዝተወጻጽኡ ኣካላት ኣብ ትሕቲ እዚ ሓይሊ ዕማም ክካተቱ'ዮም ኢሉ። እዚ ኣብ ልዕሊ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ዝምልከት ጥራሕ ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ እዩ። \"እቲ ሓይሊ ዕማም መጥቃዕቲ ከየጋጠመ ኣቐዲሙ ይከላኸል። እንተጋጥም ድማ ሓበሬታ ኣኪቡ እቲ ጉዳይ ክሳብ ቤት ፍርዲ ይወስዶ\" ይብል ኣቶ ኣዳነው። ኣብ ልዕሊ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ግንዛበ ብምሃብ ጥራሕ ምክልኻል ስለ ዘይክኣል ከምዚ ዓይነት ስርዓት ምዝርጋሕ ኣገዳሲ ኮይኑ ረኺብናዮ ዝብል እቲ ሓላፊ፡ \"ዝተፈላለዩ ትካላት ተዋዲዶም እንተዘይሰሪሖም ሓደ ትካል ጥራሕ ክዕወት ኣይኽእልን\" ኢሉ። እዚ ጉዳይ፡ ምስ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራልን ፖሊስ ኮሚሽንን ይዝተየሉ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ሓበራዊ ስምምዕ ምስ ተፈረመ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት 2013 ኣብ መላእ ሃገር ተግባራዊ ከም ዝኸውን ኣቶ ኣድነው ንቢቢሲ ገሊጹ። ስርዓት መረዳእታ ኣድራሻ ብሄራዊ ጥቕዓት (ናሽናል ሴክስ ኦፌንደርስ ሬጅስትሬሽን) ጾታዊ መጥቃዕቲ ዘብጽሑ ገበነኛታት ዝምዝገብሉ ስርዓት'ዩ። \"ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን መጥቃዕቲ ዘብጽሕ ብሕጊ ተሓታቲ ኮይኑ ምውጻእ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ህይወቱ ሙሉእ ተሓታቲ ዝኾነሉን ዝሓፍረሉን ስርዓት'ዩ\" ክብል ኣቶ ኣድነው ይዛረብ። እዚ ስርዓት ገበነኛታት ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጽኡ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንከይረክቡ ይእግዶም። እዚ ገበነኛታት ንምቕጻዕ፣ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ኣደብ ንምትሓዝን ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ዘይትጻወር ምዃና ንምርኣይን ክሕግዘና እዩ ኢሉ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ጾታዊ መጥቃዕቲ ብኣባላት ስድራ፣ ዘመድ፣ ጎረቤት ወይ ድማ ካልእ ናይ ቀረባ ሰብ ስለ ዝፍጸም፡ እቶም መጥቃዕቲ ዝበጽሖም ህጻናት ብኸመይ ትፈልዩዎም? ክንብል ንኣቶ ኣድነው ሓቲትናዮ። ንሱ ከም ዝብሎ ካብ ዝነብርሉ ከባቢ ወይ'ውን ኣብያተ ትምህርትን መምሃራንን ሓበሬታ ብምእካብ ዝስራሕ ክኸዉን እዩ። \"መምሃራን ተመሃሮኦም ዘርእዩዎ ባህሪ ይፈልጡዎ'ዮም። ምትካዝ፣ ብቐሊሉ ትምህርቲ ዘይምቕባል ወዘተ . . . ኣለው\" ብምባል እቲ ሓይሊ ዕማም ምስተጣየሸ ካልኦት ኣሰራርሓታት'ውን ከም ዘውጽእ ኣብሪሁ። ካልእ፡ ኩለመዳያዊ ተጠቃምነት ህጻናት (ዩኒቨርሳል ቻይልድ ቤነፊት) እዩ። ጾታዊ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ዘይዕድመ መርዓን ድኽነትን ኣብ ዝበዝሖ ከባቢ፡ ኣዴታት ካብ 0 ክሳብ 2 ወይድማ ክሳብ 5 ዓመት ህጻናት ናይ ገንዘብ ሓገዝ ዝረኽባሉ ፕሮጀክት'ዩ። \"እዚ ብተዘዋዋሪ መጥቃዕቲ ንምክልኻል እጃም ክህልዎ'ዩ። ኣደ ቑጠባዊ ዓቕማ ንምዕባይን ስርዓት ኣመጋግባ፣ ጥዕናን ዕብየት ኣእምሮን ሓዊሱ ንህጻናት ኩለመዳያዊ ዕብየቶም ንምርግጋጽ ዝግበር ሓገዝ እዩ\" ይብል።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54558756"} {"headline":"ኣብ ቤልጂየም፡ ንሓንቲ ንእስቲ ጓል ዓሚጾም ህይወታ ዘስአኑዋ ሓሙሽተ ኣወዳት ተታሒዞም","content":"ኣብ ቤልጂም ንሓንቲ ጓል 14 ዓመት ብጉጅለ ዓሚጾም ክትመውት ምኽንያት ዝኾኑ ኣወዳት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር፡ እቶም ኣወዳት ኣብ ልዕሊ እታ ንእስቲ ጓል አነስተይቲ ጾታዊ ጥቕዓት እንትፍጽሙ ዘርእዩ ምስልታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ይቃልሑ ከምዝነበሩ ጸብጺቦም። ዓቃቢ ሕጊ እታ ሃገር ከምዝበሎ፡ እቶም ሰለስተ ጥርጡራት ዕድሚኦም ትሕቲ 18 ዓመት፡ እቶም ክልተ ድማ ደቂ 18ን 19ን እንትኾኑ፡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ እዮም። ናይታ ቖልዓ ሞት ስዒቡ፡ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ እቶም ኣወዳት፡ ፖሊስ ምርመራ እናገበረሎም ከምዝርከብ ተፈሊጡ። እታ ግዳይ፡ ሓደ ዓርካ ኣብ ጥቓ ሓደ መቓብር ክራኸቡ ቆጸሮ ሒዛ ከምዝነበረት፡ እንተኾነ ምስ ኣርባዕተ ኣዕርኽቱ ኮይኑ ብምምጻእ ብጉጅለ ኾይኖም ጾታዊ ጥቕዓት ከምዝፈጸሙላ እተን ሚድያተት ጸብጺበን። ኣቦኣ ሄት፡ \"ብዞም ስእልታት እዩ ዓለም ሙሉእ ሪእዋ፤ ዓለማ ድማ ተገለባቢጡዋ\" ክብል ኒውስባልድ ንዝበሃል ሚድያ ቤልጂም ተዛሪቡ። እቲ ኣጸያፊ ተግባር ንሰብ ስልጣን እታ ሃገር'ውን ኣቖጢዑ እዩ ተባሂሉ። በቲ ተግባር ዝሓረቐት፡ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ቤልጂም፡ ሳራ ሺልትዝ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዘርእዩ ምስልታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከይቃልሑ ዘኽእሉ ስጉምቲታት ከምዝውሰድ ኣፍሊጣ ኣላ። ምስ ማሕበራዊ ሚድያ ርክብ ዘለዎ ጉጅለ ኣቚማ ናይ ምምርማር ስራሕ ከምዝጀመረት'ውን ተዛሪባ። ሚኒስትር ፍትሒ ቤልጂም፡ ቪንሰንት ቫን ኩይኬንቦርን፡ ብወገና \"ነዚ ነውራም ዝገልጽ ቃላት የብለይን፤ ኣዝዩ ኣጸያፊ ተግባር እዩ\" ኢላ። \"ጾታዊ ጥቕዓት ዝበጽሐክን እንተሃሊኽን ቀሪብክን ኣፍሊጣና። ከምዚ ዓይነት ተግባር ዝፍጽም ሰብ ግቡእ ቕጽዓት ክረክብ ዝከኣለና ኩሉ ክንገብር ኢና። ከምዚ ዓይነት ምስልታት ዘቃልሑ'ውን ከምኡ\" ኢላ። ሊዝቤት ስቲቨንስ ዝተብሃለት በዓልቲ ሞያ ስርዓተ ጾታ፡ ቪኣርቲ ንዝተብሃለ ሚድያ፡ እዚ ናይ ሕዚ ጥቕዓት ፈላማይ ከምዘይኮነን፡ ዓመታዊ ኣስታት 200 ብጉጅለ ዝካየድ ጾታዊ ጥቕዓታት ሪፖርት ከምዝግበርን ኣፍሊጣ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57304036"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩናት ንምግታእ ዲፕሎማስያዊ ኣማራፅታት ክጥቀም ፃውዒት ቀሪቡ","content":"ባይቶ ዓባይ ብሪጣንያ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩናት ደው ንምባል ብዝከኣሎ ኩሉ ዲፕሎማስያዊ ኣማራፅታት ንክጥቀም ፀዊዑ። መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ኩናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ደው ንምባል ሓላፍነት ከምዘለዎ ባይቶ እታ ሃገር ገሊፁ ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር “ሕጊ ንምኽባር” ብዝብል ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝኣወጆ ኩናት ኣስታት ሽድሽተ ወርሒ ኣቑፂሩ ኣሎ። ዋላ’ኳ መንግስቲ እታ ሃገር ንርእሰ ከተማ ትግራይ ምስተቖፃፀረ እቲ “ዘካይዶ ስርሒት” ከምዝዛዘመ እንተገለፀ፡ ሕዚ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ኩናት ይቕፅል ከምዘሎ ዝተፈላለዩ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ኣፍሊጦም እዮም። ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኩናት 2 ነጥቢ 2 ሚልየን ሰባት ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ኮይኖም፡ 4 ነጥቢ 2 ሚልየን ሰባት ድማ ህፁፅ ሓገዝ የድልዮም። ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ካብ ሓይልታት መንግስቲ እታ ሃገር ብተወሳኺ፡ ፍሉይ ሓይልን ምልሻታትን ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ምስታፎም ይፍለጥ። ጠንቂ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብቲ ክልል ዘሎ ጎንፂ ከምዝኾነ እቲ ባይቶ ሓቢሩ። ኣብ ትግራይ ይካየድ ብዘሎ ውግእ ምኽንያት፡ ሰብኣዊ ረድኤት ንምቕራብ ንዝግበር ፃዕሪ ከምዘተዓናቐፎ እቲ ባይቶ ገሊፁ። መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ነቲ ኩናት ንምግታእ ብዝከኣሎ ኩሉ ዲፕሎማስያዊ ኣማራፅታት ክጥቀም ድማ ፀዊዑ። እቲ ባይቶ፡ እቲ ኩናት ደው ንክብል፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ሕቡራት መንግስታት፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብቲ ኩናት ተሳተፍቲ ምስ ዝኾኑ ኣካላትን ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን ክሰርሕ ይግባእ ኢሉ። ባይቶ ዓባይ ብሪጣንያ ወግዓዊ ዝገበሮ ሪፖርት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዝፍፀሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ፆታዊ መጥቃዕትን ከምዘሕዘኖ ብምግላፅ፤ እቲ ገበን ብምርማር ነዚ ዝፈፀሙ ኣካላት ተሓተትቲ ክኾኑ ይግባእ ኢሉ። መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ እቶም ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ገበናት ብዘይሻራዊ ኣካል ክፃረን፡ ገበነኛታት ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡን ክተሓባበር እቲ ባይቶ ኣገንዚቡ። መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ዜጋታት ካብ ገበናት ኵናትን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ካብ ዝፍፀሙ ገበናትን ናይ ምሕላው ግቡእ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዃኑ ንመንግስቲ እታ ሃገር ከገንዝብ ፀዊዑ ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕነት ዜጋታታቱ ንምውሓስ ስጉምቲ ዘይወስድ ኮይኑ፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ‘ጄኖሳይድ ኮኔክሽን’ መሰረት ብምግባር፡ ሓላፍነት ናይ ምውሳድ ግቡእ ከምዘለዎ ክፈልጥ ይግባእ ኢሉ። እቲ ባይቶ፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ገበናት ብግቡእ ተመርሚሮም፡ ነዚ ተግባር ዝፈፀሙ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ንክሰርሕ ፀዊዑ። ትካላት ረድኤት ኣብ ትግራይን ጎረባብቲ ክልላትን መዓልታዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ኣካላት ክበፅሓ፡ ዘይድሩት ምንቅስቓስ ክህልወን፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንክሰርሕ’ውን ሓቲቱ። ነዚ ድማ እቲ ኩናት ደው ኢሉ፡ ሰላማዊ መገዲ ንምንዳይ ብዲፕሎማስያዊ ፃዕርታት ምድጋፍ ከምዘድሊ እቲ ባይቶ ኣአንፊቱ። እቲ ኣብ ትግራይ ይካየድ ዘሎ ኩናት ብዝቐፀለ ቁፅቲ፡ ኣብቲ ዞባ ንዝርከባ ሃገራት ከምዝፀልወን ዝገለፀ እቲ ሪፖርት፡ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ንተካይዶ ስራሕቲ ልምዓት’ውን ፅልዋ ከምዝህልዎ ገሊፁ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56956223"} {"headline":"ንሶማልያዊት ዓሚፆም ዝቐተሉ ብሞት ተፈሪዶም","content":"ኣብ ግዝኣት ፑንትላንድ ዝርከብ ቤት-ፍርዲ ንሓንቲ ሶማልያዊት ድሕሪ ምዕማፅ ቀቲሎም ዝበሎም ክልተ ውልቀ ሰባት፡ ብሞት ክቕፅዑ በይኑ። ዓብዲ ፋራይን ዓብዱራሕማን ሞሓመድ ኢሳቕን ዝተብሃሉ እዞም ገበነኛታት፡ ኣብ መፈለምታ እዚ ዓመት ነዛ ጓል 14 ዓመት ናብ ከተማ ቦሳሶ ጨውዮም ብምውሳድ፡ ከምዝዓመፅዋ ተኣሚኖም። ኣብ ሶማልያ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ዝፍፀሙ ተመሳሳሊ ጥቕዓታት ይውስኹ ኣለዉ። ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም'ውን ኣብ ሞቃድሾ ጓል 19 ዓመት ብጉጅለ ተዓሚፃ ምቕታላ ይዝከር። እታ ግዳይ ምስ ዓመፅዋ ካብ ሻድሻይ ደብሪ ስለዝደርበይዋ እያ ሞይታ። ፖሊስ ናይዛ ግዳይን ካልኦት ብዙሓት ገበናት ፆታዊ ዓመፅን ቅትለትን ይምርምር ከምዘሎ ይግለፅ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54831414"} {"headline":"ብጾታዊ ትንኮያ ዝተኸሰሰ ኣመሓዳሪ ኒውዮርክ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ኣባላት ሰኔት ሓቲቶም","content":"ብኣመሓዳሪ ኒውዮርክ ጾታዊ ትንኮያ በጺሑኒ እትብል ሰበይቲ ድሕሪ ምቕራባ፡ ኣመሓዳሪ ኣንድሪው ኩሞ ካብ ሓላፍነቱ ክወርድ ገለ ኣባላት ሰኔት ጸዊዖም። ኣባላት ውድብ ዲሞክራት ዝኾኑ ቻክ ስኩመርን ኪርተን ጊልብራንድን፡ እቲ ኣመሓዳሪ \"እምነት ነበርቲ ኒውዮርክ ስኢኑ\" ከምዘሎ ተዛሪቦም። ሸዱሽተ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣመሓዳሪ ኣንድሪ ኩሞ ብዘይ ፍቓደን ከምዝሰዓመንን ከምዝተናኸፈንን ከሲሰን እየን። ትማሊ ዓርቢ ድማ፡ ኣብ ኒውዮርክ ሪፖርተር ዝነበረት ካሊእቲ ሰበይቲ፡ ጾታዊ ጥቕዓት ከምዝፈጸመላ ተዛሪባ። ነቶም ዝቐረቡሉ ክሲታት ከምዘይቅበሎም ዝገልጽ እቲ ኣመሓዳሪ፡ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ካብ ኣባላት ውድቡ ዲሞክራት ንዝቐረበሉ ጻውዒት ነጺጉ። እቶም ኣባላት ሰኔት ግና ብዙሕን ሓቅነት ዘለዎን ክሲታት ከምዝቐረበሉ ብምግላጽ \"እምነት መሳርሕቱን ህዝቢ ኒውዮርክን ስለዝኣነ ካብ ስልጣኑ ይውረድ\" ዝብል መግለጺ ኣውጺኦም ኣለዉ። ቅድም ክብል ኣሌክሳንድራ ኦካስዮ-ኮርቴዝን ጀማል ቦውማንን ዝተብሃሉ ኣባላት ኮንግረስ፡ ነቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ኣመሓዳሪ ዝቐረቡ ክስታት ከምዝኣምኑዎምን \"እቲ መራሒ ኣብ ውሽጢ እዞም ጸቕጢታት ኮይኑ ስርሑ ብኣግባቡ ከሳልጥ ከምዘይክእልን\" ዝሕብር መግለጺ ኣውጺኦም ነይሮም። ናይ ነዊሕ እዋን ተናሓናሒ ኣመሓዳሪ ኩሞ ዝኾነ ከንቲባ ከተማ ኒውዮርክ ቢል ዲ ብላስዮ ብተመሳሳሊ፡ እቲ ብዓርቢ ዝቐረበ ክሲ ከምዝጽየፎ ብምግላጽ \"ድሕሪ ሕዚ ኣመሓዳሪ ኮይኑ ከገልግል ኣይኽእልን\" ኢሉዎ። ኣብ 2022 ዘበነ ስልጣኑ ዘብቅዕ ኣመሓዳሪ ኩሞ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ'ታ ዘመሓድራ ግዝኣት ንኮሮረናቫይረስ ብዝነበሮ ኣተሓሕዛ እናተመስገነ ነይሩ። ሎምዘበን ድማ፡ ኣብ መሐብሐቢ ማእከላት ንዝነበረ ሞት ብምሽፍፋን ተኸሲሱ። ዝሓለፈ ሓሙስ ድማ ነቶም ዝቐረብዎ ክሲታት ንክጻረ፡ ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይ'ታ ግዝኣት ፍቓድ ሂቡ ኣሎ። ኣንድሪው ኩሞ ነቶም ዝቐረብዎ ክሲታት ብዘይሻራዊ ኣካል ክሳብ ዝጻረ ከምዝጽበ ተዛሪቡ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56384352"} {"headline":"ኣመሪካዊ ኣገልጋሊ ኣብ ልዕሊ ዘኽታማት ቆልዑ ብዝፈጸሞ ጾታዊ ዓመጽ ን15 ማእሰርቲ ተፈሪዱ","content":"ሓደ ኣመሪካዊ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሓደ ዘኽታማት ዝእለዩሉ ማእከል ዝነበራ ትሕቲ ዕድመ ኣዋልድ ጾታዊ ዓመጽ ብምፍጻሙ ንልዕሊ 15 ማእሰርቲ ተፈሪዱ። እቲ ናይ ክርስትያን ኣገልጋሊ ምዃኑ ዝተገልጸ ግረጎሪ ዳው፡ ኣብ 2008 ምስ ብዓልቲ ቤቱ ብምትሕብባር ነቲ እንዳ ዘኽታማት ከምዝመስረቶ ይፍለጥ። \"ግረጎሪ ዳው፡ እቲ ብምሳሌነት ዝግለጽ ቆርበት በጊዕ ዝተኸድነ ቶኽላ'ዩ\" ክብል ኣባል ክፍሊ መርመራ ፈደራል ኣመሪካ፡ ማይክል ድሪስኮል ገሊጽዎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዳው፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ኣብ ኣመሪካ ዝተመስረተ ኣርባዕተ ክስታት ሕቡእ ጾታዊ ርክብ ምስ ቆልዑ ከምዝወዓሎ ተኣሚኑ ነይሩ። እቲ ማሕድሮ ዘኽታማት ብኸፊል ብገለ ኣብ ኣመሪካ፡ ክፍለሃገር ፐንሰልቫንያ፡ ዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያን ይምወል ምንባሩን፡ ዳው ኣብ 2017 ካብ ኬንያ ክሳብ ዝሃድም ን10 ዓመታት ዝሰርሐ ምዃኑን ተፈሊጡ። ክፍሊ መርመራ ገበናት ኣመሪካ (ኤፍ-ቢ-ኣይ) ብዛዕባ ኩነታት ናይቲ ገበናት ሓበሬታ ድሕሪ ምርካቡ'ዩ ዳው ኣብ 2019 ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። ዋሽንግቶን ፓስት ዝተባህለ ፍሉጥ ኣመሪካዊ ጋዜጣ ከምዝጸሓፎ፡ እቲ ሓበሬታ ካብ ሓንቲ ኣብ ኣመሪካ እትነብር ኬንያዊት ከምዝተረኽበን፡ ንሳ ኣብ ከባቢ ናይቲ እንዳ ዘኽታማት እትነብር ዝነበረት ወላዲታ ክትበጽሕ ምስከደት'ያ ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ክትፈልጥ ኪኢላ። ማርጋሬት ሩቶ፡ ናብ ዝዓበየትሉ ቁሸት ምስከደት፡ ክልተ ናይ 12ን 14ን ዕድመ ዝነበረን ኣዋልድ ካብቲ ማእከል ዘኽታማት ድሕሪ ምህዳመን ብዛዕባ'ቲ ኣብቲ ቦታ ዝፍጸም ዝነበረ ዝጾታዊ ዓመጻት ምስ ተዛረባ ዓዲ \"ተነዓዒባ\" ጸኒሓታ። ንባዕላ \"ናብ መርማሪት ተቐዪራ\" ድማ፡ ዛንታታት ናይተን ዝተዓመጻ ቆልዑ ክትስንድ ጀሚራ። ብዓልቲ ቤቱ እውን ኣብቲ ገበን 'ተሓባባሪት እያ' ኣብቲ ማርጋሬት ሩቶ ዝኣከበቶ ሓበሬታ ብምምርኳስ፡ ክፍሊ መርመራ ኣመሪካ፡ ዳው፡ ካብ 2013 ክሳብ 2017 ኣብ ዝነበረ እዋን ብውሕዱ ኣብ ልዕሊ 4 ኣዋልድ ጾታዊ ዓመጽ ምፍጻሙ ኣረጋጊጹ። \"ክልተ ካብተን ቆልዑ፡ ደቂ 11 ዓመት 'ከለዋ'የን ክዕመጻ ጀሚረን። \"ብዓልቲቤት ናይቲ ገበነኛ፡ እተን ግዳያት መከላኸሊ ጥንሲ ኣብ ቀላጽመን ክስኳዓለን ምእንቲ ናብ ክሊኒካት ሕክምና ተመላልሰን ነይራ። እዚ ድማ ዳው ብዘይ ናይ ጥንሲ ስግኣት ከምድላዩ ነቶም ገበናት ክፍጽም ኣኽኢልዎ'ዩ\" ክብል ቤትጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። ግረጎሪ ዳው፡ ቅድሚ ነቲ እንዳ ዘኽታማት ምጅማሩ'ውን፡ ብገበናት ጾታዊ ዓመጽ ዝፍለጥ ዝነበረን ሰብ'ዩ። ኣብ 1996፡ ጾታዊ ዓመጽ ክፍጽም ውጥን ከምዝነበሮ ብምእማኑ፡ ናይ ክልተ ዓመት መጠንቀቕታ ተዋሂብዎ፡ ን10 ዓመት ኣብ መዝገብ ጾታዊ ዓመጽ ዝፍጽሙ ገበነኛታት ኣትዩ ነይሩ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/55953737"} {"headline":"ኣብ ምያንማር ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ተቐቲሎም","content":"ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ዝተኻደላ ምያንማር ትማሊ ረቡዕ ብውሑድ 38 ሰልፈኛታት ከምዝቐተሉ ተገሊጹ፡፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር ዕልዋ ካብ ዝፍጸም ንነዘ ‘‘ብዙሕ ደም ዝፈሰሰላ መዓልቲ’’ ክብል ገሊጽዋ ኣሎ፡፡ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ኣብ ምያንማር ክርስቲን ቡርገነር፡ ኣዝዮም ዘሰምብዱ ምስልታት ካብታ ሃገር ይወጹ ከምዘለዉ ሓቢራ፡፡ ወታሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ኣብ 1 ለካቲት ስልጣን ብሓይሊ ካብ ዝጭብጥ ናብዚ ኣብ መላእ እታ ሃገር ሰልፍታት ተቓውሞን ህዝባዊ ኣብያን እናተርኣየ እዩ፡፡ እቶም ሰልፈኛታት እቲ ወታደራዊ ሓይሊ ስልጣን ከረክብን መራሒት እታ ሃገር ዝነበረት ኣንግ ሳን ሱቺ ሓዊሱ ብህዝቢ ዝተመረጹ መራሕቲ ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑን እዮም ዝጽውዑ፡፡ እቲ ትማሊ ዝተፈጸመ ቅትለት ስዒቡ ዓባይ ብርጣንያ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንዓርቢ ኣኼባ ክጽውዕ ዝሓተተት እንትኾን ኣመሪካ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ወታደራዊ ሓይሊ ተወሳኺ ስጉምቲ ክውሰድ ትጠልብ፡፡ ኣብ ምያንማር ዕልዋ ካብ ዝካየድ ናብዚ ብውሑድ 50 ሰባት ከምዝተቐተሉን ካልኦት ብዙሓት ከምዝቖሰሉን ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ስክራነር ቡርገነር ትዛረብ፡፡ ፖሊስ ንዘይተዓጠቐ በዓል ሞያ ሕክምና እንተወቕዑን ሓደ ሰልፈኛ ብጥይት እንትውቃዕን ዘርእዩ ቪድዮታት ከምዝረኣየትን እያ እትገልጽ፡፡ ሓይሊታት ጸጥታ እታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ብዙሕ መጠንቀቕታ እንተይሃቡ ኣብ ልዕሊ ዝተኣከቡ ሰልፈኛታት ጥያይቲ ከምዝትኩሱ ጸብጻባት ይሕብሩ፡፡ ኣብ ማእከላይ ምያንማር ብውሑድ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝሞቱንን 30 ከምዝቖሰሉን ሮይተርስ ጸብጺቡ፡፡ ሓደ በዓል ሞያ ሕክምና ‘‘ መንብዒ ጋዝ፣ ጠይዪትን ናይ ጎማ ጠያዪትን ተኲሶምልና’’ ክብል ንኤኤፍፒ ምስክርነት ሂቡ፡፡ ኣብ ማንዳላይ ዝነብር ሓደ ተምሃራይ ድማ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ‘‘ፖሊስን ወታሃደራትን ናብ ከባቢና መጺኦም ምትኳስ ጀሚሮም፣ መጠንቀቕታ ኣይሃቡናን፡፡ መጺኦም ምትኳስ ጀሚሮም፡፡ ናይ ጎማ ጠያይቲ ይጥቀሙ ነይሮም፡፡ ሰብ ንምቕታል እውን ግን ጠያይቲ ተጠቒሞም እዮም’’ ኢሉ፡፡ እቲ ወታሃደራዊ ሓይሊ ነቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ኣመልኪቱ ዝሃቦ ሓበሬታ የለን፡፡ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ጸቕጢ እናሓየለ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን፡ እቲ ወታሃደራዊ ሓይሊ ንዝኾነ ዓይነት ማዕቀብን ምግላልን ከምዝጻወሮ እዩ ዝገልጽ፡፡ ልእኽቲ ድብ ሕቡረፋት ሃራት ኣብታ ሃገር፡ ሕቡራት ሃራት ኣብ ልሊሊ እቶም ጀነራላት ጽኑዕ ስጉምቲ ክወስድ ተማሕጺና ኣላ፡፡ እታ ልእኽቲ ምስ ምክትል ኣዛዚ እቶም ሓይሊታት ኣብ ዝነበራ ዘተ ብዛዕባ ዝመጽእ ሳዕን ዘጠንቀቐቶ እንትኾን ንሱ ግን ‘‘ ምስ ውሑዳት መሓዙት ምጉዓዝ ክንመሃር ኣለና’’ ዝብል መልሲ ከምዝሃባ ንጋዜጠኛታ ተዛሪባ፡፡ ኣመሪካ ሓዊሱ ብዙሓት ሃገራት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ምያንማር ተወሰኽቲ ማዕቀባት ከንብራ ይሓስባ ኣለዋ፡፡","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56276172"} {"headline":"ኣብ ኣፍሞት ንዝነበረት ካናዳዊት ጓልኣባት ዘጋጠመ ግፍዒ","content":"ኣብ ካናዳ ኣብ ሓደ ሆስፒታል፡ ሓንቲ ጓልኣባት ተሓካሚት፡ ብነርስ ክትጽረፍን ኣብ ዘጭንቕ ኩነታት ኮይና ክተእውን ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ድሕሪ ምውፅኡ፡ እታ ነርስ ካብ ስርሓ ተባሪራ። ኣማሓዳሪ ግዝኣት ኩቤክ ፍራንዋ ለጉ፡ ርእይቶ እታ ነርስ፡ “ተቐባልነት ዘይብሉን ዓሌታውን” ምንባሩ ገሊፁ። ሞት እታ ጆይስ ኤክሃኳን ዝተብሃለት ጓል ኣንስተይቲ ድማ ብደቂቕ ከምዝፃረ ሓቢሩ። እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ፍጻመ ሓድሽ'ኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ ካናዳውያን ዜጋታት ደቂባት ኣንፀላልዩ ዘሎ መሓውራዊ ዓሌታውነት ሕቶ ኣልዒሉ'ሎ። ኣብ 2015 ዝወፅአ ፀብፃብ ከምዝሕብሮ፡ ኣብ መሓውር ጥዕና ካናዳ ኣብ ልዕሊ ደቂባት ዝፍፀም ዓሌታውነት ምስዘይ ደቂባት ካናዳውያን እንክነፃፀር እንከሎ፡ ሓፋሻዊ ስርዓተ ጥዕና እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ጥዕና ደቂኣባት ዓቢ ጉድኣት ከምዘኸተለ እዩ ዝሕብር። እንታይ እዩ ኣጋጢሙ? ጓል 37 ዓመት ጆይስ ኤክሃኳን፡ ካብ ከተማ ሞንትርያል 70 ኪሎሜትር ርሒቁ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ስቓይ ንዝኾና ሕማም ከብዲ ክትሕከም'ያ ተጓዒዛ። ከምቲ ዝተፀበየቶ ግና ኣይነበረን፡ ኣደ ሸውዓተ ቆልዑ ኤክሃኳን፡ ኣብ ዓራት እቲ ሆስፒታል ደቂሳ ህፁፅ ሕክምናዊ ሓገዝ ዝገብረላ ሰብ ደሊያ እናበኸየት ክትፅውዕ ጀሚራ፤ ነቲ ኩነታት'ውን ብቪድዮ ቀዲሓቶ። ንፃውዒታ ዝሰምዐት ሰራሕተኛ እቲ ሆስፒታል ድማ ብቋንቋ ፈረንሳይ፡ “ኣንቲ ደንቆሮ” ኢላ ድሕሪ ምጽራፋ፡ ደቂኺ ብዛዕባ ጠባይኪ እንታይ ክብሉ እዮም ኢላ ኣስተናዒቓታ። ብድሕሪ እዚ ግና፡ ነዊሕ ከይጸነሐት ኣብቲ ሆስፒታል ህይወታ ሓሊፋ። ኤክሃኳን ሕማም ልቢ ከምዝነበራን፡ ብዙሕ ሞርፊን (መደንዘዚ) ከይህብዋ ትጭነቕ ከምዝነበረትን ኣዝማዳ ንራድዮ ካናዳ ገሊፆም። ኣማሓዳሪ ግዝኣት ኩቤክ ፍራንዋ ለጉ፡ “ተግባር እታ ነዚ ዝፈፀመት ነርስ ፍፁም ተቐባልነት ዘይብሉ፣ ዓሌታዊ እዩ፤ ካብ ስርሓ ድማ ተባሪራ ኣላ” ብምባል፡ “ነዚ ዓሌታውነት እዚ ክንቃለሶ ይግባእ” ኢሉ። ንሞት ኤክሃኳን ዘጻርዩ ክልተ መርመራታት ከምዝካየዱ ድማ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት፡ ካናዳ፡ ደቂባት እታ ሃገር ብዓሌታዊ በደል ዝሳቐዩላ ሃገር ትኸውን ከምዘላ እዩ ዝግለፅ። ኣብ ካናዳ ካብ ዘለዋ ደቂኣንስትዮ፡ እተን ደቂባት ዝኾና ደቂኣንስትዮ ብ 12 ዕፅፊ ንክቕተላ ወይ እውን ንክጠፍኣ ተኽእሎ ከምዘሎ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝወፅአ ፀብፃብ መንግስቲ እታ ሃገር ይሕብር። ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ መራሒ ደቂባት ዝኾነ ኣለን ኣዳም፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብፖሊስ ብተደጋጋሚ ክህረም ዘርኢ ምስሊ ዕላዊ ምስ ኮነ፡ ንመላእ እታ ሃገር ዘሰንበደ ኣጋጣሚ'ዩ ነይሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ጀስቲን ትሩዶ’ውን፡ “ ኣብ ሓይሊ ፖሊስና ኮነ፡ ኣብ ኩሎም ትካላትና” ካናዳ ዓሌታዊ ጸገም ኣለዋ ኢሉ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54354866"} {"headline":"ባንግላድሽ፡ ደቂ ኣንስትዮ ንዝዕምጹ ብሞት ክትቀጽዕ እያ","content":"ባንግላድሽ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ልዑል ጾታዊ ዓመጽ ብምቅዋም ዝተኻየዱ ሰልፊታት ስዒቡ፡ ዓመጽቲ ብሞት ዝቐጽዕ ሕጊ ከምተውጽእ ገሊጻ፡፡ እቲ ንዓመጽቲ ብሞት ንምቕጻዕ ዝወጸ እማመ፡ ጽባሕ ሰሉስ ብፕረዚደንት እታ ሃገር ሕጊ ኮይኑ ክጸድቕ ምዃኑ ሚኒስተር ሕጊ ባንግላድሽ ኣንሱል ሓቅ ገሊጹ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብጉጅለ ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ዘርኢ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስተጋወሐ፡ ኣብታ ሃገር ሓያል ህዝባዊ ቁጠዐ ኣልዒሉ ቀኒዩ እዩ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት 5,400 ጾታዊ ዓመጻት ከምዝተፈጸመ ተጣባቒ ጉጅለ ገሊጹ፡፡ ኣብታ ሃገር ጾታዊ ዓመጽ ንዝፍጽሙ ሰባት ግቡእ መቕጻዕቲ ከምዘይወሃብን፡ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ድማ ካብቲ ማሕበረሰብ ከይግለላ ብምፍራሕ በደል እንትበጽሐን ናብ ሕጊ ከምዘየመልክታን እዮም ገለ ጎስጎስቲ ዝገልጹ፡፡ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ዝተቖጥዑ ናዕበኛታት፡ ቅልጡፍ መስርሕ ፍርዲ ክህሉን ንዓመጸኛታት ዝወሃብ መቕጻዕቲ ክቕየርን ክጠልቡ ቀንዮም፡፡ ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክረአ ዝቐነየ ቪዲዮ ዘላ ጓል ኣንስይቲ፡ ብተደጋጋሚ ከምዝተደፈረት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ባንግላደሽ ገሊጹ፡፡ እቲ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርግሑ 8 መናእሰይ ኣብ ቀይዲ ውዒሎም እዮም፡፡ ኣብ ዝሐለፈ ሰሙን ብተመሳሳሊ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ሓደ ሆቴል እታ ሃገር ብጉጅለ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝተፈጸማን፡ ብዙሓት ኣባላት ክንፊ መናእሰይ እቲ መሪሕ ውድብ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም፡፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ አብ ዝተኻየደ ሰልፊታት፡ ሰልፈኛታት፡ ዓመጽቲ ብማሕነቕቲ ክቕጽዑን ርህራሀ ከይግበረሎምን ዝጽውዑ ጭርሖታት ሒዞም ተራእዮም ነይሮም፡፡ ንሕቶ እቶም ሰልፈኛታት ቀጥታዊ መልሲ ብምሃብ እዩ ድማ መንግስቲ እታ ሃገር ዓመጽቲ ብሞት ዝቕጽዑሉ ሕጊ ተግባራዊ ንምግባር ዝሸባሸብ ዘሎ፡፡","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54511883"} {"headline":"ኣብ ማእከል መእለዪ ኣረጋውያን ኣውስትራሊያ ሰሙናዊ 50 ጾታዊ መጥቃዕታት ይበጽሑ","content":"ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ዝርከቡ ማእከላት መእለዪ ኣረጋውያን ሰሙናዊ ኣስታት 50 ጾታዊ መጥቃዕታት ከም ዝበጽሖ ሃገራዊ ኮሚቴ ምጽራይ ኣፍሊጡ። ኣብዚ ጸብጻብ፡ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ኣብቶም ማእከላት ዝበጽሑ ዝተፈላለዩ መጥቃዕታትን ምንግልታዕን ተዘርዚሩ ምህላው ሮያል ኮሚሽን ገሊጹ። እቶም መርመርቲ ከም ዝበሉዎ ካብ 2018 ክሳብ 2019 ኣብ ዘሎ ግዜ 2520 ኣረጋውያን ጾታዊ መጥቃዕቲ በጺሑዎም። \"እዚ ሃገራዊ ውርደት'ዩ\" ክብል ኣባል ባይቶ ፒተር ሮዝን ከውሲ። \"እዚ ሻቕሎት ዝፈጥር ቑጽሪ ዝረኸበ መንግስታዊ መሓውር ግቡእ ክትትልን ቑጽጽርን ዘይምክያዱ ዚያዳ ሓደገኛ ይገብሮ\" ኢሉ። ኣብቲ ኣረጋውያን ዝእለይሉ ማእከል ዝተራእየ ጉዳይ ከቢድ ቁጥዐን ሕቶን ዘልዓለ ኮይኑ፡ ቅድም ኢሉ'ውን ኣብ ኣውስትራሊያ ብኮሮናቫይረስ ካብ ሞንጎ ዝሞቱ ኣረጋውያን መብዛሕትኦም ኣብቲ ማእከል ዝርከቡ እዮም። ኣውስትራሊያ ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ሞይቶምኒ ካብ ዝበለቶም 903 ሰባት እቶም 75 ሚኢታዊት ኣብቲ ማእከል ዝርከቡ እዮም ተባሂሉ ኣሎ። ኣብዞም ማእከላት ዝበጽሑ ጾታዊ መጥቃዕታት ቀደሙ'ውን ስግኣት ኮይኖም ከም ዝጸንሑ ዝገለጸ ፒተር ሮዝን፡ እቲ ቑጽሪ ኣብታ ሃገር ዘለው ካብ 13 ክሳብ 18 ሚኢታዊት መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሖም ዘመላኽት ምዃኑ ሓቢሩ። ብርክት ዝበሉ ስድራቤታት፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣባላት ስድርኦም ናብ ማእከላት መሐብሐቢ ኣረጋውያን ዝወስዱዎም ድሕነቶም ክሕሎ'ዩ ብዝብል እምነት ከም ዝኾነ ይግለጽ። \"ኣብ ማእከላት ኣረጋውያን ዝርከቡ ሰባት ካብቲ ሕብረተሰብ ብዝዛይድ ንጾታዊ መጥቃዕቲ ተቓላዕቲ ምዃኖም ተቐባልነት የብሉን\" ክብል እቲ ኣባል ባይቶ ይኹንኖ። ብሓፈሻ 32 ሽሕ ጾታዊ መጥቃዕቲ፣ ኣካላውን ስነ ልቦናውን ሃሰያ ከም ዝወረደ እቶም መርመርቲ ይገልጹ። እዚ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዝተፈጸመ እዩ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54641465"} {"headline":"ቻርሊዝ ቴሮን፡ ኣደይ ንኣቦይ ተኵሳ ከምዝቐተለቶ ምዝራብ \"ኣየሕፍረንን\"","content":"ቻርሊዝ ቴሮን፡ ኣዲኣ ነብሳ ንምክልኻል፡ ንወላዲኣ ጥይት ተኵሳ ብዛዕባ ዝቐተለትሉ ህሞት ምዝራብ ''ኣየሕፍረንን'' ክትብል ተዛሪባ። ግዙእ ኣልኮላዊ መስተ ዝነበረ ወላዲኣ፡ ናብቲ ምስ ኣዲኣ ተሓቢኣትሉ ዝነበረት ገዛ ብጠያይቲ ተኵሱ ክቐትለን ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፡ ቴሮን ጓል 15 ዓመት እያ ነይራ። ''ብገለ ተኣምር፡ ካብተን ዝተተኮሳ ጠያይቲ ዋላ ሓንቲ ኣይሃረመትናን፤ ንነብስና ንምክልኻል ብዝወሰደቶ ስጉምቲ ግን እቲ ተኹሲ ጠጠው ኢሉ'' ትብል። ''ብዛዕባ እቲ ነገር ዝያዳ እንተተዛሪብና፡ በይንና ከምዘይኮንና አዐሪና ንርዳእ'' ብምባል ትውስኽ። ቻርሊዝ፡ ምስ ኣዲኣ ጌርዳን ኣቡኣ ቻርለስን፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ጥቓ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝርከብ ናይ ሕርሻ ቦታ ዓብያ። ''ጥዕና ዘይነበሮ'' ብምባል እትገልጾ ወላዲኣ፡ ብምኽንያት ኣልኮላዊ መስተ ''ኣብ ተስፋ ዘይብሉ ኩነታት'' ይነብር ከምዝነበረ ትገልጽ። ወላዲኣ ''ምኻድ ክሳብ ዝኣብዮ አዐርዩ ሰኺሩ፡ ሽጉጥ ሒዙ ናብ ገዛ መጺኡ'' ብምባል ብዛዕባ እቲ ዝነበረ ኩነታት ትዛረብ። \" ኣቦይ ነቲ ናይ መደቀሲየይ ማዕጾ ክኽፍት ይቃለሶ ስለዝነበረ፡ ከይከፍቶ ንምክልኻል ኣነን ኣደይን ብውሽጢ ናብቲ ማዕጾ ተጸጋዕና። ሽዑ ንድሕሪት ተመሊሱ ናብቲ ማዕጾ ሰለስተ ጠያይቲ ተኵሱ። ብገለ ተኣምር ግን ዋላ ሓንቲ ጥይት ኣይሃረመትናን\" \"ንነብስና ንምክልኻል ብዝወሰደቶ ስጉምቲ ግን ነቲ ሓደጋ ጠጠው ኣቢላቶ'' ቻርሊዝ እቲ ኣብ ስድራ-ቤታ ዘጋጠመ ነገር ምስ ብዙሓት ሰባት እያ እትዘራረበሉ። ''ብዛዕባ እቲ ኩነታት ምዝራብ ኣየሕፍረንን'' እትብል ቻርሊዝ፡ ብዛዕብኡ ብዙሕ ኣብ ዝተዛረብኩሉ በይነይ ከምዘይኮንኩ ኣስተብሂለ ትብል። እታ ተዓዋቲት ሽልማት ኦስካር፡ ሓደ ዳይረክተር ፊልም ናብ ገዝኡ ንቐረጻ ዓዲሙ ግዙእ ዘይኮነ ኣካላዊ ምትንኻፍ ከምዘገበረላን ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንብራት ከምዝገደፈላን ትዛረብ። ንሳ፡ ንጾታዊ በደል ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተሳተፈትሉ 'ቦምበሼል' ኣብ እትብል ፊልሚ ክትቓለሱ ተርኢ። እቲ ፍልሚ ዝተፈላለየ መልክዕ ጾታዊ ዓመጽ ዝፈተሸ ኮይኑ፡ ንሳ'ውን ኣብ ህይወታ ዘጋጠማ ነገር ከምዝኾነ ትዛረብ። ''ኩሉሻዕ ኣካላዊ መግሃስቲ ወይ ዓመጽ ጥራሕ ኣይኮነን'' ብምባል ብዙሓት ስነ ኣእምሮኣዊ በደላት ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝበጽሑ ትገልጽ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50833196"} {"headline":"ህንዲ፡ ጸታዊ ዓመጽን መቕተልትን ዝፈጸሙ ኣርባዕተ ደቂ ተባዕትዮ ብማሕነቕቲ ተቐቲሎም","content":"ኣብ 2012፡ ኣብ ደልሂ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ተመሃሪት ጾታዊ ዓመጽን ቕትለትን ዝፈጸሙ ኣርባዕተ ህንዳውያን ደቂ ተባዕትዮ ብማሕነቕቲ ተቐቲሎም። ኣክሻይ ታኩር፣ ቪናይ ሻርማና፣ ፓዋን ጉፕታን ሙኬሽ ሳይን፡ ብ2013 ቤት ፍርዲ ንሕልፈት ፈሪዱዎም ዝነበሩ'ዮም። ኣብ ህንዲ ካብ 2015 ጀሚሩ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ገበነኛታት ብማሕነቕቲ ክቕተሉ እዚ ናይ ፈለማ እዋን'ዩ። እዞም ኣርባዕተ ሰብኡት ብጉጅለ ብምዃን ኣብ ውሽጢ ኣውቶቡስ ነቲ ገበን ከምዝፈጸምዎ ኣብቲ እዋን ተረጋጊጹ እዩ። ኣብቲ ገበን ዝተሳተፉ፡ መራሒ ኣውቶቡስ ዝርከቦም መንእሰያት ኮይኖም፡ ኣብ ልዕሊ'ታ ጓል 23 ዓመት ግዳይ፡ ዓመጽን ናብ ሞት ዘብጽሕ ከቢድ ማህረምትን ከምዘውረዱላ'ዮ ኣኽባር ሕጊ ህንዲ ገሊጹ ምንባሩ ይግለጽ። እዚ፡ ኣብ ህንዲ ዓብዪ ቁጥዐ ብምፍጣር ሓድሽ ሕጊ ኣንጻር ጾታዊ ዓመጽ ክወጽእን ገይሩ። ብመሰረት ሕጊ ህንዲ ብሜዲያ ብልክዕ ሽማ ክትጽዋዕ ስለ ዘይፍቀድ፡ ኒርብሃያ ዝብል ሳጓ ዝተውሃባ ግዳይ፡ ጓል 23 ዓመት ተመሃሪት ፊዚዮቴራፒ'ያ ነይራ። ኣብ ልዕሊኣ ብዝበጽሐ መጥቃዕቲ ሽዱሽተ ሰባት ተጠርጢሮም ተኣሲሮም ነይሮም። ሓደ ካብኣቶም 'ራም ሳይን' ዝተባህለ ጥርጡር ኣብ 2013 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነብሰ-ቕትለት ፈጺሙ ተረኺቡ። ኣብቲ እዋን ወዲ 17 ዓመት ዝነበረ ካልእ ጥርጠር፡ ንሰለስተ ዓመት ተኣሲሩ ብ2015 ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ። እቶም ዝተረፉ ኣርባዕተ እሱራት፡ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ፍርዲ ማእሰርቶም ንሕልፈት ክቕይረሎም ፌርማ ኣተኣኻኺቦም። እንተኾነ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ንሕቶኦም ነጺግዎ። እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ክፍጸም ሰዓታት ምስ ተረፎ ዝቐረበ ሕቶ ይግባይ'ውን፡ ተቐባልነት ከይረኸበ ተሪፉ። 16 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ]፡ እዛ ተመሃሪት ምስ ወዲ ተባዕታይ መሓዝኣ ኣብ ኣውቶብስ ተሳፊሮም ይኸዱ ነይሮም። እዞም ፍቑራት፡ ፊልሚ ርእዮም ናብ ገዝኦም ይምለስሉ ኣብ ዝነበሩሉ ሰዓት፡ ኣብታ ኣውቶብስ ዝነበሩ ሽዱሽተ ደቂ ተባዕትዮ ንኽልቲኦም ሃሪሞም ጉድኣት የብጽሑሎም። መሓዝኣ ተሃሪሙ ምስ ወደቐ፡ ነታ ጓል ኣንስተይቲ ብዘስካሕክሕ መልክዑ ኣካለዊ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምብጽሖም፡ በብተራ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሞም። ድሕሪኡ፡ ንኽልቲኦም ካብታ ኣውቶብስ ኣውጺኦም ናብ ወሰነ መገዲ ንኽሞቱ ደብርዮምዎም። ጥራሕ ነብሶም ደም ብደም ኮይኖም ዝረኸቡዎም ሰባት ድማ ንፖሊስ ሓበሬታ ሂቦም። ኣብ ህንዲ ኣብ ልዕሊ'ታ ተመሃሪት ዩኒቨርስቲ ዝተፈጸመ ዓመጽን ቅትለትን ሓያል ናዕቢ ኣለዓዒሉ። እታ ግዳይ ድማ ኣብ ኣብ ሲንጋፖር ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሞይታ። ሎሚ ንጉሆ፡ እቶም ገበነኛታት ብማሕነቕቲ ምስ ተቐትሉ፡ ኣደ እታ ግዳይ \"ናይ ጓለይ ስእሊ ሒዘ ኣብ መወዳእታ ፍትሒ ረኺብና ኢለያ\" ኢላ። ኣቡኣ ብወገኑ፡ \"ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ ቤት ፍርዲ ዝነበረኒ እምነት ተመሊሱ\" ኢሉ። ብዙሓት መግለጺ ሓዘን ዝሓዘ ጭርሖታት ዝሓዙ ሰባት፡ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቤት ማእሰርቲ ኮይኖም፡ በቲ ዝተዋህበ ፍርዲ ዝተሰምዖም ሓጎስ ክገልጹ ተራእዮም። ገሊኦም፡ \"ሞት ንዓመጽቲ\" እናበሉ ይጭርሑ ነይሮም። ጸብጻባት መንግስቲ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ህንዲ ብዓመቱ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ገበናት ጾታዊ ዓመጽ ይፍጸሙን ይውስኹን። ኣብ ቀረባ እዋን ምምሕዳር መዝገብ ሃገራዊ ገበናት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ 2018፡ ፖሊስ 33,977 ገበናት ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝተፈጸመን፡ እዚ ድማ መዓልታዊ ብማእከላይ ገምጋም 93 ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝፍጸምን ይሕብር። ህንዲ ግን ንደቂ ኣንስትዮ ውሕስቲ ድያ? ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣብ ደልሂ ጌታ ፓንዲ፡ ብሓጺሩ መልሱ 'ኣይኮነትን'ያ' ትብል። ካብ 2012 ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሑ ዓመጻት ኣድሂቦም ዝካየዱ መርመራታት እንተወሰኹ'ውን፡ ተመሳሰልቲ ጎነጻዊ ዓመጻትን ፍጻሜታትን ግን ኣርእስተ ዜና ህንዲ ኮይኖም ቀጺሎም'ዮም። ደለይቲ ፍትሒ፡ ኣሽሓት ገበናት ጾታዊ ዓመጽ ናብ ፖሊስ ሪፖርት ከም ዘይግበሩ ይዛረቡ። \"ኣነ ባዕለይ፡ ሓንቲ ጾታዊ ዓመጽ ዝበጽሓ ጓል ኣንስተይቲ ወለዳ ስለ ዝሓፈሩ ጥራሕ እቲ ጉዳይ ናብ ፖሊስ ከይተወሰደ ከም ዝተረፈ ይፈልጥ'የ። ምስ ጾታዊ ዓመጽ ብዝተሓሓዙ ገበናት ግዳያት ዝኾኑ ሰባት ማሕበራዊ ተነጽሎ ስለ ዝበጽሖም ሰብ'ውን ክኣምነና ኣይክእልን ኢሎም ስለ ዝፈርሑ፡ ፖሊስ እቲ ጉዳይ ከይፈለጦ ተሪፉ\" ትብል ፓንዲ። ገሊኦም፡ ቕልጡፍን ጥቡቕን መቕጻዕቲ እንተተዋሂቡ፡ ሰባት ሕጊ ፈሪሖም ጾታዊ ዓመጽ ደው ከብሉ ይኽእሉ'ዮም ይብሉ። እዚ ክሳዕ ዝኸውን ግን፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ህንዲን ብኸመይ ድሕነተን ከውሕሳ ይኽእላ? ህንዲ፡ ንጾታዊ ዓመጽን ሞትን ኒርብሃያ ስዒቡ ዝነበረ ተቓውሞታት ክትጻውሮ ኣይክኣለትን። ኣብ ወርሒ መጋቢት 2013 ሓድሽ ሕጊ ኣንጻር ጾታዊ ዓመጽ ኣጽዲቓ። ጾታዊ ዓመጽ ንዝፈጸሙ ገበነኛታት፣ ተቖጢዕኻ ንሰብ ምክትታል፣ ኣሲድ ምድፋእ፣ ጥራሕ ነብሳ ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ምስላልን ካብ ፍቓዳ ወጻእ ስእላ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ምዝርጋሕን ዝብሉ ካልኦት ገበናት ሓዊሱ፡ ከቢድ መቕጻዕቲ ከም ዝወርዶም ይገልጽ። ብተወሳኺ ብመሰረት እዚ ሕጊ፡ ኣገዲድኻ ምዕማጽ ወይ'ውን ነብሲ ምስሓት ዘስዕብ ጾታዊ ዓመጽ ምፍጻም፡ ናይ ሞት ፍርዲ የፍርድ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51971360"} {"headline":"ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፡ ጥርጡር ቐታሊ ሃይማኖት በዳዳ ኣብ ቀይዲ ኣእቲዩ","content":"ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፡ ጥርጡር ኣብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ዝተቐትለት መንእሰይ ሃይማኖት ደዳዳ፡ ኣብ ቀይዲ ኣውዒለ ይብል። ነባሪ ከተማ ኣርባ ምንጭ ዝኾነ ኣብ ከባቢ 20ታት ዝርከብ ደግነት ወርቁ ዝተባህለ መንእሰይ እዩ ጥርጡር ኮይኑ ተታሒዙ ዘሎ። ሃገራዊ ቴሌቪዥን ንኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ጠቒሱ ከም ዝጸብጸቦ፡ እቲ ተጠርጣሪ ትማሊ ምሸት ሰዓት ሓደ [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ውዒሉ። እቲ ተጠርጣሪ ምስታ ግዳይ ዝኾነ ዓይነት ፍልጦ ከም ዘይነበሮ፡ ንፖሊስ ኣረዲኡ እዩ። እቲ ውልቀሰብ፤ ተመሃራይ 12 ክፍሊ ከም ዝነበረን 'መድሓኒት ኤች ኣይቪ ንምርካብ ይመራመር ስለዘሎኹ ሓካይም ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ክሕግዙኒ ይክእሉ'ዮም' ብዝብል ናብቲ ቐጽሪ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ይመላለስ ከም ዝነበረ፡ ፖሊስ ገሊጹ። ብ17 ግንቦት 2012 ዓ.ም ድማ፡ ከምቲ ልሙድ በዚ ጉዳይ ከም ዝመጽን ገንዘብ ከም ዝጸገሞን ብምግላጽ፡ ካራ ሒዙ ብምኻድ ኣብቲ ቀጽሪ ካብ ዘለው ቤት ጽሕፈታት ካብ ሓዲኡ ላፕቶፕ ወይ ቴሌፎን እንተረኸበ ሰሪቑ ሸይጡ ንክጥቀም ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ እዋን፡ መዋቲት ሃይማኖት በዳዳ ዝነበረትሉ ክፍሊ ተኸፊቱ ስለ ዝጸንሖ፡ ናብቲ ክፍሊ ከም ዝኣተወ ንፖሊስ ኣረዲኡ። እታ ግዳይ፡ ቴሌፎንኪ ሃብኒ ኢሉ ምሓተታ ኣይህብን ምስ በለቶ፡ በቲ ዝሓዞ ካራ ወግኡ ዝደለዮ ንብረት ሒዙ ከም ዝወጽአ ተዛሪቡ። ፖሊስ፡ ምስታ መዋቲት ርክብ ነይሩዎም ዝበሎም 12 ጥርጡራት ሒዙ ተወሳኺ መርመራ ከም ዝገበረ፡ ዳይሬክተር መርመራ ገበናት ቕትለት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ንኢቢሲ ተዛሪቡ። ሃይማኖት መን'ያ? መንእሰይ ሃይማኖት፡ ኣብ ከተማ መተሃራ ተወሊዳ'ያ ዓብያ። ሕጂ ኣብ ከተማ ኣዳማ ጎሮ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ምስ ስድርኣ ትነብር። ኣቡኣ ኣቶ በዳዳ ፈይሳ፡ ጓሎም ብ2009 ዓ.ም ካብ ዩኒቨርሲቲ ሚዛን ቴፒ ብክሊኒካል ፋርማሲስት ብመዓርግ ተመሪቓ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ክትምህር ከም ዝጸንሐት ይዛረቡ። ድሕሪኡ፡ ናይ ካልኣይ ዲግሪ ትምህርታ ንክትመሃር ናብ ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ጥቁር ኣንበሳ መጺኣ ይብሉ። \"ኣብ 2010 ዝጀመረቶ ትምህርቲ ካልኣይ ዲግሪ ኣብዚ ዓመት ወዲኣ፡ ወርሒ ሰነ እያ ክትምረቕ ነይራ። ናይ መመረቒ ጽሑፍ ንክትውድእ ናብቲ ቤት ትምህርቲ እናተመላለሰት ትሰርሕ ነይራ\" ይብሉ ኣቶ በዳዳ። \"ጓለይ፡ ንፍዕቲ ስለ ዝነበረት ካብ ቀዳማይ ክፍሊ ጀሚራ፡ ቀዳመይቲ'ያ ትወጽእ ነይራ\" ብምባል ጥንካርኣ የረድኡ። ይኹን'ምበር፡ ጓሎም ኣብ ውሽጢ ኣብታ ሃገር ኣሎ ዝበሃል ዓብዪ ሆስፒታል ክትቕተል ኣዝዩ ከም ዘሕዘኖም ይዛረቡ። ኣብቲ ዕለት፡ ሃይማኖት ሒዛቶ ዝነበረት ላፕቶፕ፣ ቴሌፎንን ንሶም ዝሃቡዋ ናይ ሓሙሽተ ሽሕ ቼክን ከም ዝተወሰደ ሓቢሮም። ንሶም ከም ዝብሉዎ፡ እቲ ዝሃቡዋ ናይ ሓሙሽተ ሽሕ ብር ቼክ ብሽም ብዝጠቕሱዎ ሓደ ውልቀሰብን ጨንፈር ባንክን ወጻኢ ተገይሩ እዩ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/52845181"} {"headline":"ጾታዊ ዓመጽ፡ ንሓንቲ ቆልዓ ዓሚጾም ዝቐተሉ ክልተ ደቂ-ተባዕትዮ ተረሺኖም","content":"ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶማልያ፡ ንጓል 12 ዓመት ቆልዓ ዓሚጾምን ቀቲሎምን ዝተባህሉ ክልተ ደቂ-ተባዕትዮ ተረሺኖም። ዓይሻ ኢልያስ ዓደን፡ ኣብ ለካቲት 2019 ካብ ጥቓ መንበሪ ገዝኣ ተጨውያ፡ ብጉጅለ ተዓሚጻን ተቐቲላን'ያ ተረኺባ። እቲ ገበን ኣብ ሓውሲ-ርእሰ ምምሕዳር ፑንት ላንድ፡ ኣብ ጋልካዮ ዝተባህለ ቦታ'ዩ ተፈጺሙ። እቲ ፍጻመ፡ ኣብ ህዝቢ ሶማልያ ዓቢ ቁጠዐ ፈጢሩ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር እውን ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ኣስዒቡ። ፈለማ 10 ጥርጡራት'ኳ ተታሒዞም እንተነበሩ፡ ናይቲ ዞባ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ግን ንሰለስተ ካብኦም ጥራይ'ዩ ገበነኛታት ኮይኖም ረኺቡዎም። ኣኽበርቲ ሕጊ ከም ዝበልዎ፡ ነቶም ገበነኛታት ንምፍላጥ ንፈለማ እዋን ናይ መፈጠር ('ዲ-ኤን-ኤ) መርመራ ከም ዝተጠቕሙ ተዛሪቦም። እቶም ክልተ ገበነኛታት ኮይኖም ዝተረኸቡ፡ ዓብዱልፋታሕ ዓብዱራሕማን ዋርሳመን፡ ዓብዲሻኩር ሞሓመድ ዲገን፡ ሎሚ ሰሉስ፡ ኣብ ቅርዓት ከተማ ቦሳሶ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብኣሃዱ ተኮስቲ ብጥይት ተረሺኖም። እቲ ዓብዲሳላም ዓብዲራሕማን ዋርሳመ ዝተባህለ፡ ሓዉ ንዓብዲልፋታሕ ግን፡ ዋላ'ኳ ንሞት ተፈሪዱ እንተነበረ፡ ካብ ምርሻን ድሒኑ'ሎ። ወላዲ ናይታ ግዳይ፡ ኢልያስ ዓደን፡ ንመግስታዊት ተለቪዢን ፑንትላንድ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ ናይ ዓብዲሰላም ናይ ሞት መቕጻዕቲ፡ ጉዳዩ ካልኣይ ግዜ ንኽረአ ን10 መዓልታት ከመሓላለፍ ከም ዝጠለበ ተዛሪቡ። \"እዚ ምርሻን'ዚ፡ ዓቢ ትምህርቲ ኮይኑ ከገልግል'ዩ፡ ኣዋልድ ሶማልያ ድማ ውሕሰነት ክረኽባ'የን\" እቲ ጓሉ ዝሰኣነ ኣቦ። ተሓለቕቲ ከምዝብልዎ፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ጾታዊ ዓመጽን ምስርጣይን ኣብ ሶማልያ ልሙድ እናኾነ ክመጽእ ጸኒሑ'ሎ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51463824"} {"headline":"\"ወደይ፡ እዚኣ ኣደይ ኣይኮነትን፡ ኣደይ ምልክዕቲ እያ ኢሉ\" በዓል ቤታ ኣሲድ ዝደፍኣላ ኣደ","content":"ኣብ ከተማ ዓዲግራት ተወሊዳ ዝዓበየት ኣጸደ ንጉሰ፡ ናይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርታ ኣብ ያለም ብርሃን፡ መሰናድኦ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣጋእዚ ተኸታቲላ። ኣይመለኣቶን እምበር፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ነጥቢ ረኺባ፡ ብደረጃ ዲግሪ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ትምህርቲ ጀሚራ ነይራ። ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ጓል 27 ዓመት እንከላ፡ ነቲ ብበዓል ቤታ ኣብ ኣካላታ ዝተፈጸመን መገዲ ህይወታ ዝቐየረን መጥቃዕቲ ኣሲድ፡ ብኸምዚ ተዘንትዎ። ገለ ሰባት፡ በዚ ዛንታ ክርበሹ ስለዝኽእሉ፡ ጥንቃቐ ክገብሩ ንምዕድ። ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ከምቲ ዝደለየቶ ዘይኮነላ ኣጸደ፡ እንጀራ ኣለሻ ናብ ክልል ሶማል፡ ከተማ ጂግጂጋ ኣምሪሓ። ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ጂግጂጋ ኣብ ዝነበረ ስራሕ ህንጻ ተቖጺራ ድማ ስራሕ ጀሚራ። ኣጸደ፡ ኣብቲ እዋን ነይሩ፡ ነቲ ኣብ ዓለባ ህይወታ ጸሊም ስእሊ፡ ኣብ ኣካላን ኣእምሮኣን ድማ ዘይሃስስ በሰላ ዝገደፈላ፡ በዓል ቤታ ነበር ዝተላለየቶ። ንሱ ኣባል ፖሊስ ፌደራል ነይሩ። ኣብቲ እዋን \"ኣብ ጂግጂጋ ብፍላይ ፖሊስ ፌደራል ከምድላዩ እዩ ዝገብር ነይሩ፤ የፈራረሐኒ 'ውን ስለዝነበረ፡ ይኹን ኢለ ኣትየዮ\" ብምባል ፈትያን ፈቒዳን ዘይኮነስ ተገዲዳ ሓዳር ከምዝገበረት ትገልጽ። ብዙሕ ከይጸንሑ ግና ናብ ጋምቤላ ክኸዱ ከምዘለዎም ስለዝነገራ፡ ኣብ ከተማ ጋምቤላ ንሱ ባጃጅ እናዘወረ ንሳ ድማ ኣብቲ ዝነበረቶ ዓይነት ተመሳሳሊ ስራሕ ኮንስትራክሽን ተዋፊሮም ናብራ ጀመሩ። ኣብቲ ዓመት፡ ብ 2004 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ድማ፡ ነቲ እንኮ ውላዳ ተጋላጊላ። ኣጸደ፡ እቲ \"ጾር ህይወት ዓለም፡ ተላፊንካ ሻምቦ ምባል\" ዝብል ትርጉም ሓዳር ሓቂ ኮይኑ ኣይረኸበቶን። \"ሓያል እዩ፤ ብዝረብሕን ዘይረብሕን እዩ ዝዋቓዕ። ዘካረዩኒ ሰባት 'እግዚኦ' እዮም ዝብሉ ነይሮም\" ብምባል ብበዓል ገዝኣ በደል ይበጽሓ ምንባሩ ትገልጽ። ኣጸደ ወላዲታ ንበይነን እየን ኣዕብየናኣ። ኣቦኣ ካብቶም ምእንቲ ሓርነት ዝተሰውኡ 60 ሽሕ ተጋደልቲ ሓደ እዩ። \"ወደይ ምስ ወለድኩ ግን፡ ንሕና ብዘይ ኣቦ ዓቢናስ ወደይ'ውን ድዩ ከምኡ ክኸውን ብምባል፡ ኩሉ ክኢለዮ ይነብር ነይረ። ዋላ ይውቀዐኒ፡ ሓንቲ መዓልቲ እኳ ንኣደይ ኮነ ንሓፍተይ ተዛሪበየን ኣይፈልጥን\" ትብል። 'ምእንተ ውላደይ ክኢለ ክነብር' ምባላ ግን ካብ ጉድኣት ኣየድሐናን። ብመውቃዕቲ፡ ስና ናብ ውሽጢ ክኣቱ ገይሩ። ነቲ ኩነታት ተዓዚቡ፡ ከዘራርቦ እየ ንዝበለ ዘመድ ድማ \"ግደፉ ኣቦ ወደይ እኮ እዩ\" ብምባል ሓዳራ ክተቐጽል እያ ትፍትን ነይራ። ኣብ 2007 ዓ.ም፡ ውላዶም ዓዲግራት ናብ ዝነብራ ኣዲኣ ክተወስዶን፤ ንሳ ድማ ካብ'ቲ ዝነበረቶ ስራሕ ወጺኣ ናይ ባዕላ ስራሕ ክትጅምርን ሓሳብ ስለዘቕረበላ፡ ከም'ቲ ዝበላ ገበረት። ስርሓን ውሉዳን ገዲፋ፡ መዓልቲታት ወጊሖምን መስዮምን። ዝሃባ ቅርሺ ይኹን ዝጀመረቶ ስራሕ ግን ኣይነበረን። ሓደ መዓልቲ ግን \"ክሰርሕ እባ፤ ስራሕ ክሰርሕ፡ ወይ ምስ ወደይ ኣይኮንኩ\" ኢለ ሓቲተዮ፤ \"ቅርሺ ትበሃል የላን፡ ዝፈልጦ ነገር የብለይን ኢሉ መሊሱለይ\" ትብል። በዚ ዝተልዓለ ጎንጺ ድማ፡ ከምዝወቕዓን ገጻ ከምዝሓበጠን ትዝክር። በቲ ኩነታት ዝጎሃዩ ኣብ ጋምቤላ ዝነበሩ ቤተሰባ፡ ተሰማሚዖም ክነብሩ እንተዘይክኢሎም ተፈላልዮም ክፍትንዎን ንሳ ናብ ዓዳ ከይዳ ክትሰርሕን ይመኽሩዎም። በዚ ተሰማሚዖም \"10 ሽሕ ቅርሺ ሂቡ አፏንዩኒ\" ትብል። \"ናብ ዓዲ ግራት ምስ ከድኩ፡ ኣብ ዓረብ ሃገር እትነብር ሓፍተይን ኣደይን ሓጊዘናኒ ንኡሽተይ እንዳ ኮስመቲክስ ከፊተ፡ ጽቡቕ ይሰርሕ ነይረ\" እትብል ኣጸደ፡ በዓል ገዝኣ ናብ ዓዲ ግራት ጠቕሊሉ ብምምጻእ ብድፍኢት ቤተሰብ፡ ዳግማይ ሓቢሮም ክነብሩ ምጅማሮም ትገልጽ። ኮይኑ ግና ኣብ እንዳ ወላዲታ ሓቢሮም እናነበሩ'ውን ክሰማምዑ ኣይከኣሉን። ኣብታ ንእሽቶ ድኳን መን ኣተወ መን ወጸ ክጨቓጨቓ ጀሚሩ። ናብ ዓዲ ዓረብ ሰጊሩ ስራሕ ክሰርሕ ዝሓሰበ በዓል ቤታ፡ ሓደ መዓልቲ ብሃንደበት ከይነገራ ከምዝኸደን ካብ ከባቢ ዶብ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ደዊሉ፡ ሸሞንተ ሽሕ ቅርሺ ንደላላይ ክትከፍለሉ ከምዝሓተታን ትዝክር። ከፊላ ድማ። ካብ የመን ናብ ስዑዲ ክሰግር ድማ \"ካብ ናይታ ኣብ ዓዲ ዓረብ እትነብር ንኡሽተይ ሓፍተይ ቁጽሪ ሒሳብ፡ ኣደይ 15 ሽሕ ልኢኻትሉ\" ትብል። ኣብ ስዑዲ ኣትዩ ስራሕ ምስ ጀመረ ግና ምድዋል እናገደፎን እናተረሓሓቑን ከምዝመጹ ትገልጽ። ኣጸደ፡ በዓል ቤታ ተኣሲሩ ከምዘሎን ጉድኣት ከምዝበጸሖን ዝገልጽ ፎቶን ሓበሬታን ኣብ ፌስ ቡክ ረኺባ። ኮይኑ ግና ብዝገበረቶ ምጽራይ ሓቂ ዘይምዃኑ ከምዘረጋገጸት ትገልጽ። ድሕሪ ቁሩብ መዓልቲታት ድማ ደዊሉ፡ ደሓን ከምዝኾነን እቲ ሓበሬታ ንሱ ከምዘይዘርገሖን ገሊጹላ። ኣብቲ ሰሙን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኑ ክድውለላ ጀሚሩ። ቀዳም 8 ሓምለ 2009 ዓ.ም፡ ኣጸደ ኣብታ 'ኮስመቲክስ\" እትሸጠላ ድኳን ውዒላ፡ ንምሸቱ ምስ መሓዙታ ድራር በሊዖም ይጻወቱ ነይሮም። ኣብ መንጎ ጸዋተኦም፡ ብሃንደበት ንበዓል ቤታ ነበር ሕልፍ ክብል ርእያቶ። ኣብቲ ከባቢ ንዕኡ ምርኣያ ደስ ስለዘይበላ፡ ንመሓዙታ ገዲፋቶም ናብ ገዝኣ ጉዕዞ ምጅማራ ትዝክር። ጉዕዞኣ ግን፡ ክሳብ ኣፍደገ ገዝኣ ጥራይ እዩ ሰላማዊ ነይሩ። ''ኣብ ኣፍ ደገ ገዛና ከምዚ ጽሕዲ፣ ጋባ ገለ ኣሎ፤ ኣብኡ ተሓቢኡ ጸኒሑ እዩ ደፊኡለይ። ብናይ ሓያት ጎማ እዩ ሒዙዎ ነይሩ\" ትብል። ኣብ ፈለማ፡ እቲ ሃንደበት ናብ መላእ ኣካላታ ዘፍሰሰላ ፈሳሲ እንታይ ምኻኑ ኣይፈለጠትን። ኣብታ መደንገጺት ህሞት \"ክደፍአለይ ከሎ ኣሲድ ኣይመሰለንን። ጋዝ እዩ መሲሉኒ ነይሩ። ከቓጽለኒ ድዩ ደልዩ\" ኢለ ትብል። ሽዑ ንሽዑ ግን ኣካላታ ክቃጸል ጀሚሩ። ኡይ ኢላ ዝረድእ ለመነት። እቲ ኣሲድ ዘፍሰሰላ በዓል ገዝኣ ኣዳልዩዋ ብዝጸንሐ ባጅጅ ሽዑ ንሽዑ ተሸሪቡ። ኣዲኣን ሓዋን ደድሕሪ እቲ ባጅጅ ተጓይዮም፤ ከርክብዎ ግን ኣይከኣሉን። እቲ ካብ መንበስበስታ ጀሚሩ ናብ ሙሉእ ኣካላታ ዝፈሰሰ ኣሲድ፡ ገጻ ናብ ጸለሎ ቀይሩዎ። ብርሃን ዓይና ከሕድጋ ጻት ኣይወሰደሉን። ናብቲ ንጉሆ ብሙሉእ ኣካላ ዝገደፈቶ ገዝኣ ተመሪሓ ኣትያ። \"ኣሲድ ርእይና ኣይንፈልጥን፤ ኣነ ዝዝክሮ ኣብ ኬሚስትሪ ክማሃሮ ከለኹ እዩ እምበር፡ ርእየ ኣይፈልጥን\" እትብል ኣጸደ ኣብቲ ሽዑ ዝተወሰደቶ ሕክምና ዝነበሩ ሰብ ሞያ 'ውን ተደናጊሮም ከምዝነበሩን ዝረኸበቶ ሓገዝ ከምዘይነበረን ትዝክር። ብጽባሒቱ፡ ኣብ ሕክምና ዓይኒ ኲሓ ብዝተገበረላ ሕክምና አዒንታ ክርእዩ ጀሚሮም ነይሮም። ልዕሊ ሓደ ሰሙን ግን ኣይጸንሑን። እቲ ዝተደፈአላ ኣሲድ ካብ አዒንታ ብተወሳኺ ኣብ ሓደ እግራ፣ ክልቲኡ ኣእዳዋ፣ ሙሉእ ገጻ ክሳብ ኣፍ ልባ፣ ጸጉሪ ርእሳን እዝናን ሓያል ጉድኣት ኣብጺሑላ እዩ። ኣብቲ ንኣርባዓ መዓልቲታት ዝተመላለሰቶ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር'ውን እንተኾነ እኹል ሕክምናዊ ክንክን ከምዘይረኸበት እያ እትገልጽ። ዝሓሸ ሕክምና ክትረክብ ዝተሰደደትሉ 'ሆስፒታል ለካቲት 12' እውን \"ኣርባዓ መዓልቲ ዝገበረ መጥቃዕቲ ኣሲድ ከመይ ጌርና ክንቅበሎ\" ኢሎም ክሕግዝዋ ከምዘይክእሉ ነጊሮምዋ ከምዝነበሩን፡ እንተኾነ ሓላፍነት ክወስድ እየ ዝበለት ሓንቲ ዶክተር ክትርእያ ከምዝወሰነትን ብሓያል ጓሂ ትዛረብ። ኣጸደ: ኣብ መጀመሪያ 2010 ዓ\/ም፡ ንተወሳኺ ሕክምና ናብ ታይላንድ ከይዳ ነይራ፤ እቲ ንክልተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ሕክምና፡ ኣብ ሳልስቲ ልዕሊ ምኢቲ ሽሕ ናይ ኢትዮጵያ ብር ዝኽፈሎ እዩ ነይሩ። ነቲ ወጻኢ ንምሽፋን ዓቕሚ ሰለዘይነበራ ግን ኣብ ዝተፈላየ ሃገራት ብዝነብሩ ኢትጵያውያንን፡ ኢትዮጵያውያን ዘይኮኑን ሰባት ብዝገብሩላ ሓገዝ እያ ትሕከም ነይራ፡፡ ኮይኑ ግና እቲ ሕክምና ከምዝሓሰበቶ ኣይኮነላን፡፡ ልዕሊ ኹሉ ነቲ ሃረር ኢላ እትጽበዮ ብርሃን ዓይና መርድእ ሒዙ መጺኡ፡፡ እተላዕላ ዝነበረት ሓፍታ ሓደ ሰንበት ንጉሆ፡ ንበይና ሒዛቶ ዝጸንሐት ምስጢር ነጊራታ። 'ኢንፌክሽን' ፈጢሩ ስለዘሎ \"ዓይንኺ ከውጽእዎ እዮም\" ኢላታ፡፡ ነቲ መርድእ ብሓያል ስንባደን ብንብዓትን እያ እትዝክሮ። ''ሰንበት መዓልቲ ክርስትያን ናብ ቤተ ክርስትያን ይኸይድ እምበር፡ ሰንበት ምድርስ ዓይነይ ከውጽኡኒ? ኣይደልን ንዓደይ ውሰድኒ ኢለያ\" ትብል። ሕክምና ኣቋሪጻ ናብ ኢትዮጵያ ምስተመለሰት፡ ንዝወሰነ እዋን ምስ ቤተሰብ፤ ድሕሪኡ ድማ ብማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተጣየሰ፡ ጾታዊ በደል ዝበጸሐን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝዕቆባሉ ማእከል ንሸሞንተ ኣዋርሕ ጸኒሓ። ኣጸደ ጉድእቲ ኣካል ኮይና ኣብ መዕቆቢ ማእከል ኣብ እተነብረሉ እዋን፡ ብኣርቲስት ኣዜብ ወርቁ ኣቢላ ሓንቲ ክትሕግዛ እትኽእል ሰብ ናብ ህይወታ መጺኣ፡። እታ ሰበይቲ፡ በዓልቲ ሃብታም ልቢ መንበረ ኣክሊሉ እያ፡፡ ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ካሊፎርንያ እትነብር መንበረ ኣክሊሉ፡ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ብምሕላቕ፣ ጥቕዓት ንዝበጽሐን ደቂ ኣንስትዮ ብምሕጋዝን ንዝኾነ ይኹን ፍጡር ሰብ ብምርዳእን ኣብቲ እትነብረሉ ማሕበረሰብ ዓብዪ ስምን ክብርን ዘለዋ ኢትዮጵያዊት እያ፡፡ ብፍላይ ብመጻምደንን ሰብኡተንን በደል ንዝበጽሐን ደቂ ኣንስትዮ፡ ስቓየን ከም ናታ ርእያ ክትሕግዘን ዘለዓዓላ ምኽንያት፡ ኣብ ኢትዮጵያ እናሃለወት፡ ኣብ ዕድመ ንእስነታ ዘእተወቶ ሰብኣያን ኣቦ ወዳን ዘብጸሐላ ግፍዕን መከራን ምዃኑ ትገልጽ፡፡ \"ሽጋራ ስሒቡ ገጸይን ሑቐይን የንድደኒ ነይሩ፤ ኣፍንጫይ ክሳብ ምስባር በጺሑ፡፡ ሰለስተ ኣርባዕተ ግዘ ክቐትለኒ ብምፍታኑ ድማ ገዛይ ገዲፈ ወጺአ፡፡ በዚ ምኽንያት ክሳብ ኣብ ጎደና ምሕዳር በጺሐ ነይረ\" ትብል፡፡ ግዜ ሓሊፉ። ሕዚ፡ ካልእ ጽቡቕ ሓዳርን ጽቡቕ ህይወትን ኣለዋ። ኣብ ልዕሊ ኣጸደ ዝበጸሐ መጥቃዕቲ ኣሲድ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስ ሰምዐት ድማ ደልያ ክትረኽባን ዘድሊ ሓገዝ ክትገብረላን ምስ በዓል ቤታ ተማኺራ ወሲና፡፡ \"ነዚ ምስ ረአይኩ ከም ኩሉ ሰብ ሓዚነ፡፡ ብፍላይ ቆልዓ ከምዘለዋ ምስፈለጥኩ፡ ኣነ 'ውን ኣዶ ስለዝኾንኩ፡ ናተይ ውላድ ኣብ ናታ ውላድ ቦታ ገይረ ብምሕሳብ፡ ንባዐለይ ርእየዮ፡፡ በዚ ድማ ልበይ ተተንኪፉ፡፡ ካልኣይ ድማ ኣነ'ውን ዝሓለፍኩዎ መገዲ ስለዝኾነ፡ ነዛ ቆልዓ ክሕግዛ ኣለኒ ኢለ\" ትብል፡፡ መንበረ ብኣሲድ ንዝተጠቕዐት ጓል ኣንስተይቲ ክትሕግዝ ንፈለማ እዋን ኣይኮነን፡፡ ኣብ 2017 ዓ.ም.ፈ ሓንቲ መሰረት ዝተብሃለት ብኣፍቃሪኣ ኣሲድ ዝተደፍኣን ኣብ ገጻ ጉድኣት ዝበጸሓን ኢትዮጵያዊት ናብ ኣመሪካ ወሲዳ ክትሕከም ገይራ እያ፡፡ መሰረት፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ብጽቡቕ ጥዕናን ስነልቦናን ርእሳ ክኢላ እናሰርሐት ኣብ ኣመሪካ ትነብር ኣላ። መንበረ ንኣጸደ ናብ ኣመሪካ ክትወስዳ ክትፍትን እንከላ ነገራት ቀሊል ኣይነበረን፡፡ ንኣጸደ ንምውሳድ ዝገበረቶ ፈተነ ሰለስተ ግዘ ብኤምባሲ ኣመሪካ ተቐባልነት ኣይረኸበን፡፡ ኣብ መወዳእታ ናብ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ደብዳበ ጽሒፋ፡ ብትእዛዝ እቲ ፕረዚደንት ከምዝተሳኸዐ እያ ትገልጽ። ኩነታት ኣጸደ ፍሉይ ትኹረት ዝደሊ ከምዝኾነ እትገልጽ መንበረ፡ \"ኣብዚ ሕዚ እዋን ዓይነስውርቲ እያ። ኣብ ቀረባ እዋን ምርኣይ ከምእትኽእል ግን ርግጸኛ እየ\" ብምባል ብሙሉእ ተስፋ ትዛረብ። \"ንባዕለይ ስለዝፈቱ ናዓኣተን ክሕግዘን ወሲነ፤ ምክንያቱ ሐደ ሰብ ብዝሓገዝካ ቁጽሪ ናትካ ቁስሊ እናሐወየ እዩ ዝኸይድ፡፡ ምናልባት ውን ኣነ ዝገብሮ ነገር ርእዮም ካልኦት ሰባት ውን ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም\" ብምባል ምኽንያት እቲ ስልም ክትብል እኳ ዕድል ዘይህባ ሰብኣውነት ትገልጽ፡፡ ኣጸደ ምስ መንበረ እያ እትነብር፤ ከም ውላዳ እያ ድማ እትንከባኸባ፡፡ መንበረ ኩነታት ሕክምና ኣጸደ፣ ብዛዕባ ኣብ ህይወታ ዘሕደረቶ እወንታዊ ጽልዋን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጽሒፋ ኣይትመኑን፡፡ ኣጸደ ብግዲኣ \"ንመንበረ ዝገልጸሉ ቃላት የብለይን\" እያ ትብል፡፡ ንዝተገበረላ ሰናይ ተግባር ንምግላጽ፡ ካብ ቃላት ንብዓት ይቕድማ፡፡ ኣጸደ፡ ኣብ ኣመሪካ ከይዲ ሕክምናኣ ጽቡቕ ከምዘሎን ህይወት ውን ከምዝፈተወቶን ትገልጽ፡፡ ብዝተገበረላ ቀዳማይ መጥባሕቲ ከበሮ ዓይኒ ተሰሪሑላ፡ ዓይና ክትከድንን ክትከፍትን ክኢላ ኣላ፡፡ እቲ ኣሲድ፡ ንከበሮ ዓይና ኣጥፊእዎ ነይሩ፡፡ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ፡ ኣብ ኣመሪካ ክትነብር ዘኽእላ ናይ መንበሪ ፍቓድ ረኺባ ኣላ፡፡ እዚ ዕድል ድማ ካብኣ ተፈልዩ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ውላዳ ናብኣ ክትወስዶ ዘኽእላ እዩ፡፡ ንህይወት ዘለዋ ትርጉም ዘደንቕ እዩ፡፡ \"መልከዐይ ርእየዮ ኣይፈልጥን፤ ኣነ ነታ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝነበረት ኣጸደ እምበር ነታ ሐዚ ዘላ ኣጸደ ርእየያ ኣይፈልጥን\" እትብል ኣጸደ፡ ዝወረዳ ኣካላዊ ጥቕዓት ምንባርን ህይወትን ክትጸልእ ከምዘይገበራ ትዛረብ፡፡ ብአንጻሩ \"ዓለም ናይ ኩሉ እያ፤ ብዙሕ ጨካን ኣሎ ብዙሕ ጽቡቕ ሰብ ውን ኣሎ\" ብምባል \"ብፍላይ ሓደ ሓደ ግዜ እዚ ፈተናስ እግዚኣሄር ኣብ ዓለም ብዙሓት ጽቡቓት ሰባት ከምዘለዉ ከርእየኒ ስለዝደለየ ዶ ይኸውን ይብል\" ብምባል ንሰብን ህይወትን ዘለዋ ዘይተቐያማይ እምነት ትገልጽ። ኣጸደ ጎና ጎኒ ሕክምና፡ ኣብ ትምህርቲ እያ ዘላ፡፡ ትምህርቲ ምርኣይ ዘይክእሉ ሰባት ዝጥቀሙሉ መጽሓፊ 'ብረይል 1' ወዲኣ ኣላ፡፡ ኮምፒዩተር ውን ትመሃር ኣላ፡፡ \"ተማሂረ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝበጽሕ ርግጸኛ እየ፡፡ ዕላማይ ንሱ እዩ፤ እምበር ንድሕሪት ተመሊሰ፡ ብዛዕባ ትማሊ ሓሲበ ዝጉህየሉ ነገር የብለይን\" እግዚኣብሄር እንተይሉ ነዞም ኣብ ሙሉእ ዓለም ዘለዉ ዝረድኡኒ ኣቦታተይ፣ ኣዴታተይን ኣሕዋተይን፡ ናተይ ጽቡቕ ነገር እንድዮም ዝደልዩ፡ ሓደ መዓልቲ ንሱ ከሳኽዕ እየ ኢለ እየ ዝሓስብ\" ትብል። \"ንሳ ኣደይ ኣይኮነትን፡ ኣደይ ምልክዕቲ እያ\" ውላዳ 'ሃኒ' እዩ ስሙ። ኣብቲ ዝሓለፈቶ ናይ በደል ደመና ዝሸፈኖ ትማሊኣ፡ ናይ ንእስነት መልክዓን ብርሃናን ዝወሰደ እኩይ ኣጋጣሚ፡ ጸሓይ ኮይኑ ዘብርህ እንኮ ውሉዳ እዩ፡፡ ነዚ ሸውዓተ ዝዕድሚኡ ህጻን \"ብህይወት ክነብር ካብ ዘኽእሉኒ ምኽንያታት ሓደ እዩ\" ክትብል እያ ትገልጾ፡፡ ሓደጋ እንትበጽሓ ንሱ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ነይሩ፡፡ በቲ ዝተደፍኣላ ኣሲድ ዝተጎድአ መልክዓ ርእዩ፡ ብዕሸል ኣእምሮኡ፡ ኣደይ እያ ኢሉ ክኣምን ኣይከኣለን፡፡ \"ኣብ መጀመርታ ብጣዕሚ ፈሪሑ ነይሩ፤ ናዓ ኣጸደ እኮ እያ ኢሎምዎ፡፡ ኖኖ ንሳ ኣደይ ኣይኮነትን፡ ኣደይ ቆንጆ እያ\" ከምዝበለ ትዛረብ፡፡ \"ሕዚ ግን ኩሉሻብ እናደወለ ኣጆኪ እዩ ዝብለኒ፤ ንሱ ስለዘለኒ እየ ድማ ጠንኪረ ብእግረይ ደው ክብል ዝኸኣልኩ።\" ወዳ፡ ኣብ ወላዲኡ ጽልኢት ክሓድሮን፡ ቂም ቋጺሩ ክዓብን ከምዘይትደሊ እውን ትገልጽ፡፡ \"ወደይ ናይ ይቅርታ ሰብ ክኸውን እየ ዝደልዮ፡፡ ኣነ'ውን ናይ ይቅርታ ሰብ ክኸወን እየ ዝደሊ እምበር ከምዚ ገይሩኒ እዩ፡ ከምዚ ክገብሮ እየ ዝብል ነገር የብለይን\" ትብል፡፡ \"ናዓይ ኣይኮነን፡ ንወዱ እዩ በዲሉ\" ብምባል ወዳ ኣብ ዕሸል ሕልንኡ ክስከሞ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ በሰላ ከምዝተሰከመ ትዛረብ፡፡ ካብቲ ሕማቕ ኣጋጣሚ ንደሓር፡ ነቲ መጥቃዕቲ ዘብጸሓላ በዓል ቤታ ነበር ርእያቶ ኣየትፈልጥን፡፡ ብኣካል ደጊማ እንተረኺባቶ ግን ሓንቲ ነገር ጥራይ ምሓተትክዎ ትብል \"እንታይ ከምዝገበርክዎ ክገልጸለይ ይደሊ።\" ንኣጸደ ኣሲድ ዝደፍአላ በዓል ቤታ ነበር፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣይወዓለን፤ ኣምሊጡ እዩ፡፡ ዋላኳ ብእዋኑ ንዝምልከቶም ኣካላት ኣመልኪታ እንተነበረት፡ ነቲ ጥርጡር ብእዋኑ ሃዲንካ ናብ ሕጊ ክቐርብ ግን ዝምልከቶም ኣካላት ግቡኦም ከምዘይተዋጽኡ እያ እትገልጽ፡፡ በደል ዘብጽሑ ኣካላት፡ ብእዋኑ ክሕተቱን ግቡእ ቅጽዓት ክረኽቡን ዝገብር መስርሕ ሕጊ ከምዘየለ'ውን ትዛረብ፡፡ መንበረ ብወገና ጎና ጎኒ ነቲ ማሕበረሰብ ናይ ምስትምሃር ስራሕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ከምዚ ዓይነት ገበን ዝፍጽሙ ሰባት ዝውሰድ ስጉምቲ መምሃሪ ክኸውን ኣለዎ ትብል፡፡ ምክንያቱ ትብል መንበረ፡ \"እቲ ኣሲድ ንኣጸደ ንበይና ኣይኮነን ጎዲእዋ፤ ንኣዲኣ፣ ንኣሕዋታ፣ ንወዳ፣ መላእ ቤተሰባን እቲ ማሕበረሰብ'ውን እዩ ተጎዲኡ\" ትብል፡፡ ብዛዕባ ኣብቲ ከይዲ ፍትሒ ካብ ተበዳሊትን ሕብረተሰብን ንዝለዓሉ ቅሬታታት ኣመልኪትና ንሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ኣዘራሪብናዮ ኔርና፡፡ እቲ ገበን ዝፈጸመ በዓል ቤት ነበር እታ ግዳይ፡ ጠፊኡ ካብ ሃገር ከምዝወጸ ዝገልጽ ኣይተ ኣማኑኤል፡ እቲ ቅሬታ ከምዝሰምዖን፡ ብወገን ፖሊስ ድማ ኣብ ፈለማ ብዛዕባ እቲ ጥቕዓት ዝፈጸመላ ሰብ ዝተማልአ ሓበሬታ ዘይምርካብን ዳሕራይ ናብ ማእከል ሃገር ተንቀሳቒሱ ኣብ ዝተብሃለሉ እዋን ድማ ብሰንኪ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካ፡ ኣብ ማእከል ሃገር ዘለዉ ዝምልከቶም ኣካላት ጸጥታ ክተሓባበሩ ዘይምኽኣሎም ዝኣመሰሉ ምኽንያታት ከምዝቐርቡ ይገልጽ፡፡ ብወገን ዓቃቢ ሕጊ ድማ \"መጀመሪያ እቲ ዘጸገም ዝነበረ፡ ብህይወት ክትጸንሕ ድያ (ዝብል) ብጣዕሚ ኣጸጋሚ ስለዝነበረ፡ ዓቃቢ ሕጊ ብምንታይ እዩ ክኸስስ ዝብል ኣጸጊሙልና ነይሩ፡፡ ብኣካል መጉዳእቲ ከሲስካዮ ዳሕራይ እንተተጎዲኣ፡ ሓደ ግዜ ዝተፈረዶ ደጊምካ ብቕትለት ክትፈርዶ ስለዘይትኽእል፡ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ\" ይብል፡፡ ዳሓር ግን ኩነታታ ብሕክምና ምስተረጋገጸ እቲ ተኸሳሲ \"ብኸቢድ ፈተነ ቕትለት\" ተኸሲሱ፤ እታ ግዳይ እውን ካብ ኣመሪካ ብስካይፒ ቃላ ክትህብ ተገይሩን ምርመራ ተኻይዱን እቲ ተኸሳሲ ኣብ ዘይተረኸበሉ፡ ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ከምዝተፈረዶ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ይገልጽ፡፡ ብተወሳኺ እቲ ገበነኛ \"ዘለሉ ዓዲ እንተተፈሊጡ ብኢንተርፖል ዝመጸሉ ወይ ከኣ ብዝኾነ መልክዕ ናብ ዓዲ ዝኣቱ እንተኾይኑ ድማ እቲ ቅጽዓት ተፈጻሚ ዝኾነሉ\" መገዲ ይድለ ከምዘሎ ይዛረብ፡፡ ንሱ'ውን እንተኾነ ኣብቲ ከይዲ ፍትሒ ቀሊል ዘይበሃል ስክፍታታት ከምዘለዎ ዝገልጽ ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ \"ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ጥቕዓት ዋና መበገሲኡ ናይ ኣተሓሳስባ ጉድለት ይመስለኒ፡፡ እኹል ስራሕ ብዝተዋደደ ምልክዑ ስለዘይስራሕ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ\" ይብል፡፡","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51145712"} {"headline":"ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ጉዳይ ጾታዊ ዓመጽ ብሚስጢር ከምዘይተሓዝ ገሊጾም","content":"ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ፍራንሲስ፡ ኣብ ውሽጢ'ታ ቤተክርስትያን ንዘጋጠም ጾታዊ ዓመጽ እትሕዘሉ ኣገባብ ከም ዝቕየር ገሊጾም። እቲ ውሳነ፡ እቲ ንግዳያት ዓመጽን ክሲ ንዝቐረበሎም ካህናትን ንምስታር ዝግበር ዝነበረ ኣሰራርሓ ብምቕያር፡ እቶም ጉዳያት ግሉጽ ብዝኾነ መንገዲ ዝረኣይሉ ኩነታት ዝገብር'ዩ ኢሎም። እዚ ትማሊ ሰሉስ ዝወጽአ ጳጳሳዊ ሰነድ፡ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ብፖሊስን ካልኦት ሰብ ሞያ ሕግን ነቲ ጉዳዮም ብዕቱብ ክከታተልዎን ዘድሉ ሓበሬታ ንኽሓቱን ፍቃድ ዝህብ ምዃኑ ይግለጽ። ቅድሚ ሕጂ፡ እታ ቤተ-ክርስትያን፡ ንውሕሰነት እቶም ግዳያትን ክብሪ እቶም ዝተኸሱን ንምሕለው ነቲ ጉዳይ ብስቱር ትሕዞ ከም ዘነበረት ይፍለጥ። እቶም ጳጳስ፡ ጉዳይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ጌና \"ብቕንዕናን ብምስጢራዊ መገዲን ክተሓዝ'' ኣሎዎ ክብሉ'ውን ተዛሪቦም። ንሰበ-ስልጣን ቫቲካን ድማ ስቪላዊ ሕጊ ክኽተሉን፤ ምስ መርመራ ዘካይዱ ሓለፍቲ ስቪላዊ ቤት-ፍርድታት ክተሓባበሩን ምሕጽንትኦም ኣመሓላሊፎም። ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ፎቐዶ ዓለም ብካህናት ንዝተፈጸመ ጾታዊ ግህሰት ጉልባብ ትህብ እያ ክብሉ ዝወቕሱ ብዙሓት እዮም። ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ነቲ ንክብሪ ቤተክርስትያንን ካህናትን ዘዋርድ፡ ብተደጋጋሚ ዝለዓል ዛዕባ ዓመጽ፡ ጽኑዕ ልጓም ብምግባር ንፈጸምቲ በደል ኣብ ሕጊ ኣቕሪቦም ዳግማይ ግህሰት ንከየጋጥም ጽኑዕ ኣመራርሓ ክህቡ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ጸቕጢ ክግበረሎም ጸኒሑ። እቶም ጳጳስ ጾታዊ ግህሰት \"ናይ ሰይጣን መሳርሒ\" እዩ ብምባል ዝኾነ በዚ ጉዳይ እዚ ዝኽሰሱ ካህናት ጽኑዕ ስጉምቲ ክውሰዶም መልእኽቲ ኣሕሊፎም ምንባሮም ይዝከር።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50832885"} {"headline":"\"ጾታዊ ትንኮያታት ደው ክነብሎም ኣለና\"","content":"ዘቢብ ጓል ሸውዓተ ዓመት እንከላ ነይራ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ዝኸደት። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ማእኸላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ ብምክትል ዳይክተርነት ትሰርሕ ኣላ። ኣብዚ ትካል ክሰርሕ እየ ኢላ ሓሲባ ከምዘይትፈልጥ እያ ትገልጽ።","category":"ፆታዊ መጥቃዕቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50421367"} {"headline":"ብብኽነት ገንዘብ ዝተነቕፈ ቀዳማይ ሚኒስተር እሰራኤል፡ 'ወጻኢታት ስድራይ ባዕለይ ክኽእል'የ' ኢሉ","content":"ብዙሕ ገንዘብ ኣባኺንካ፡ ዝብል ወቐሳ ዝወረዶ ቀዳማይ ሚኒስተር እሰራኤል ናፍታሊ በነት፡ ወርሓዊ ወጻኢታት ምግቢ ስድራኡ ካብ ጅባኡ ክሽፍን ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ። ኣብ ሓደ መደበር ተለቪዥን፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣዝዩ ምቾት ዝመልኦ ናብራ ከምዝነብርን፡ ኣብቲ ዝነብረሉ ዘሎ ቀጽሪ ብዙሕ ወጻኢታት ከምዝገብርን ዝምልከት ጸብጻቡ ቀሪቡ ነይሩ። ነዚ ስዒቡ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒሰተር ካብ ከፈልቲ ግብሪ፡ ካብ 26 ሽሕን 400 ዶላር ተቘሪጹ ከም ዝወሃቦ፡ ካብዚ ድማ፡ እቲ 7400 ዶላር ወጻኢታት ምግቢ ንስድራኡን ከምዝውዕል ገሊጹ። እቲ ቀዳማይ ሚኒሰተር ናብ ስልጣን ቅድሚ ምጽኡ ሚሊየነር ዝነበረ እዩ። ናብ ፖለቲካ ዓለም ቅድሚ ምእታዉ ዝውንኖም ዝነበረ ክልተ ገዘፍቲ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ፡ ብ250 ሚሊየን ዶላር ከም ዝሸጠ ዝንገረሉ ናፍታሊ በነት፡ ሕጊ ካብ ዝፈቕደሉ ወጻኢ፡ ዝኾነ ዓይነት ተግባር ከምዘይፈጸመ እዩ ዝምጕት። ንሱ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ እቲ ዝቐረበሉ ክሲ ብምንጻግ፣ ድሕሪ ሕጂ ወጻኢታት መግቢ ስድራኡ ባዕሉ ክሽፍን ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ። \"ዋላ'ኳ፡ ኣነን ኣባላት ስድራይን ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝገበርናዮ ጌጋ እንተዘየለ፡ ብሰንኪ'ቲ ጸብጻብ ኣብ ህዝቢ ዝተፈጥረ ቅሬታ እርድኦ እየ። ስለዚ፡ ካብ ሕጂ ንነየው ወርሓዊ ወጻኢታት ስድራይ ካብ ጅባይ ክሽፍኖ ወሲነ ኣለኹ፡\" ኢሉ። ነዚ ውሳነኡ ድማ፡ ኣብ ትሕቲኡ ንዝርከቡ ሰበ ስልጣንን ንቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተርን ኣፍሊጡ ኣሎ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ መግለጺኡ፡ \"ናብዚ ሓላፍነት ዝመጻእኩ፡ ፍሉይ ክብሪ ደልየ ወይ ድማ ገንዘብ ክረክብ ኢለ ኣይኮነን። ኣብዚ ወንበር ዘለኹ ንህዝቢ እስራኤል ከገልግል ጥራይ እዩ፡\" ኢሉ። ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ብወገኑ፡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ወርሓዊ ወጻኢታት ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ቤንያሚን ናታንያሁ፡ ምስ ናይዚ ሕጂ ቀዳማይ ሚኒስተር እንክነጻጸር ብሰለስተ ዕጽፊ ከም ዝዛይድ ይገልጽ። ቤንያሚኒን ናታንያሁ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣዝዮም ክቡራት ኣቑሑ ይገዝእን ኣዝዮም ክቡራት ኣብያተ ምግቢ የዘውትርን ከምዝነበረ፣ ካልእ ተሪፉ ጸጕሩ ብልዑል መጠን ገንዘብ ይቕምቀም ከምዝነበረን ሓያለ ማዕከናት ዜና ይጽብጽባ ነይረን። ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ቤንያሚን ናታንያሁ፡ ወጻኢታት መግቢ ስድራኡ ወርሓዊ 11 ሽሕ 100 ዶላር ከም ዝነበረ ይግለጽ። ቀዳማይ ሚኒስተር ናፍታሊ፡ መንግስቲ ካብ ዘዳለወሉ መንበሪ ገዛ ወጻኢ፡ ኣብ ከተማ ቴልኣቪቭ ኣብ ዝርከብ ናይ ውልቁ መንበሪ ገዛ፡ ከም ቤት ጽሕፈት ይጥቀመሉ'ኳ እንተሎ፡ ካብ ነቐፌታ ከምልጥ ግን ኣይከኣለን። ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቻናል 13 ቲቪ፡ ዝተበሃለ ማዕከን ዜና ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንውልቀ ሰራሕተኛታቱ ዝኸፍሎ፡ ንጽሬት፡ ከምኡ'ውን ንምግቢ ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘባኽን ዘመልክት መደብ ኣቕሪቡ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ግን፡ ብፌስቡክ ገጹ ኣቢሉ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ከምዚ ዓይነት ካብ ግብሪ ዜጋታት ዝቝረጽ ወርሓዊ ወጻኢታት፡ ኣብ ዘበነ ስልጣኑ ኣዝዩ ከምዝጐደለ ብምግላጽ፡ እቲ ጸብጻብ ከምዘስሐቘ ገሊጹ። መንግስቲ ንውልቁ ምግቢ ዘዳልዉ ከሸንቲ'ኳ እንተቘጸረሉ፡ ሽዱሸተ ኣባላት ንዘለውዎ ስድራኡ፡ ውልቀ-ሰራሕተኛታቱን ግን ስለዘይተቘጸረሎም፡ ከም ኣማራጺ፡ ምግቢ ካብ ቤት ብልዒ ከም ዘምጽኣሎም ኣብሪሁ። ወርሓዊ ደሞዝ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል፡ 16 ሽሕ 500 ዶላር እዩ፤ እዚ ኸኣ፡ ዜጋታት እስራኤል ምስ ዝረኽብዎ ወርሓዊ እቶት እንክነጻጸር፡ ኣዝዩ ዝተጋነነ ዝበሃል ኣይኮነን።","category":"ውልቃዊ ፋይናንስ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61244090"} {"headline":"ኢሎን መስክ ናይ 1.5 ቢልዮን ዶላር ቢትኮይን ድሕሪ ምዕዳጉ ዋጋ እቲ ዲጂታዊ ባጤራ ዓሪጉ","content":"ወናኒ ኩባንያ ተስላ፡ ኢሎን መስክ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይ 1.5 ቢልዮን ዶላር ቢትኮይን ከም ዝዓደገን፡ ኣብ መጻኢ፡ ክፍሊት ብቢትኮይን ክቅበል ከምዝኽእልን ኣተንቢሁ። እቲ ዜና ድሕሪ ምቅልሑ፡ ዋጋ እቲ ዲጂታዊ ባጤራ 17% ወሰኽ ብምርኣይ ቅድሚ ሕጂ ተመዝጊቡ ዘይፈልጥ ዋጋ ማለት 44220 ዶላር በጺሑ ኣሎ። ኩባንያ መፍረ መካይንን ዝኾነ ተስላ፡ ኣብ መዓልታዊ ምንቅስቓሳት እቲ ኩባንያ ኣድላዪ ዘይኮነ ጥረ ገንዘብ ተዋፊሩ ዝሓሸ ኣታዊ ዝርከበሉ መገዲ ክደልይ ከም ዝጸንሐ ገሊጹ። ኢሎን መስክ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ኣብ ትዊተሩ ‘#ቢትኮይን’ ድሕሪ ምግባሩ ዋጋ ቢትኮይን ክውስኽ ተራእዩ። ንሱ ጸኒሑ ነቲ ጽሑፍ ካብ ናይ ትዊተር ገጹ እንተኣለዮ’ውን ብዛዕባ ቢትኮይንን ካልኦት ዲጂታዊ ባጤራታትን ምጽሓፍ ቀጺልዎ እዩ። ናይ 1.5 ቢልዮን ዶላር ቢትኮይን ከም ዝዓደገ ዝገለጸ ኩባንያ ተስላ፡ ኣብ መጻኢ “ዲጂታዊ ርእሰ-ማል ከጥርይ” ተኽእሎ ምህላው ሓቢሩ። “ብዘይካ’ዚ ኣብ ቀረባ መጻኢ፡ ኣብ ዕዳጋ ንዝቐርቡ ፍርያትና ዝዕድጉ ኣካላት ክፍሊት ብቢትኮይን ክንቅበል ክንጅምር ተስፋ ኣሎና” ኢሉ። ኢሎን መስክ ቅድሚ ሰሙን ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ቢትኮይን ኣብ ብዙሓት ኣውፈርቲ ዝያዳ ተቐባልነት ይረክብ ምህላው ገሊጹ ነይሩ። ገለ ተንተንቲ እዚ ወፍሪ ናይ ተስላ ኣብ ዓውዲ ዲጂታዊ ባጤራ ዓቢይ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ምዃኑ ይነግሩ። ኣብ መርበብ Markets.com ዋና ተንታኒ ዝኾነ ኔይል ዊልሰን ግና ቢትኮይን “ኣዝዩ ተኣፋፊ” ዲጂታዊ ባጤራ ምዃኑ የጠንቅቕ። “ተስላ ሕጂ ዓቢይ ሓደጋ እዩ ዝገጥም ዘሎ- እዚ ምናልባት ንብዙሓት ኣውፈርቲ ዘየሻቕል ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ንገለ ዓቃባውያን ስክፍታ ክፈጥር እዩ” ይብል። ቢትኮይን እንታይ'ዩ ቢትኮይን ማለት ብቕልል ዝበለ ቀንቋ፡ ዲጂታል + ባጤራ + ትውጊት ኢልና ክንገልጾ ንኽእል። ቢትኮይን ፍሉይ ዝገብሮ ከምቲ ኣብ ጁባና ሒዝናዮ እንኸይድ ባጤራ (ቅርሺ) ዘይኮነስ፡ ኣብ መርበብ ኢንተርነት (ኦንላይን) ዚሰፈሩ ገንዘብ'ዩ። እቲ ካልእ ንቢትኮይን ሓዊስካ ኩሎም ክሪፕቶካረንሲታት ፍሉይ ዝገብሮም ብመንግስትን ማእከላይ ባንክታትን ዘይምእከሉን ቀጥታዊ ምቁጽጻር ዘይግበረሎም ምዃኖም'ዩ። ንኣብነት ቢትኮይን ብሓደ 'ማይኒንግ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣገባብ ዝፍጠር ኮይኑ፡ ብመርበብ ዝተኣሳሰሩ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ኮምፒተራት ይቆጻጸርዎ። እቶም ንቢትኮይን ክሪፕቶካረንሲ ዝፈጠሩ ሰባት ኣብ ምሉዕ ዓለም 21 ሚልዮን ቢትኮይናት ክፍጠሩ ገደብ ከም ዘንበሩ ይእመን። ክሳብ ሕጂ ድማ 17 ሚልዮን ቢትኮይናት 'ማይን' ከም ዝተገብሩ ጸብጻባት ይሕብሩ።","category":"ውልቃዊ ፋይናንስ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55992724"} {"headline":"ቻይና ባንክታት ዲጂታላዊ ባጤራ ምጥቃም ደው ከብላ ኣዚዛ","content":"ቻይና ኣብ ዲጂታላዊ ባጤራ ክሪፕቶካረንሲ ዝነበራ ጥቡቕ ቁጽጽር ብምቕጻል ባንኪታትን ናይ ክፍሊት ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላትን ብዲጂታላዊ ባጤራ ዝግበር ንግዲ ከየሳልጡ ኣዚዛ። ቻይና፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ግዝኣት ሲችዋን ስራሕቲ ቢትኮይን ክእገድ ምስ ተወሰነ እዩ ነዚ ትእዛዝ ኣመሓላሊፋ። ዋጋ ቢትኮይን ብሶኒ ብ10 ምኢታዊት ወሪዱ ዝነበረ ኮይኑ፡ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዕዳጋ ኤስያ ተመዓራሪዩ ኣሎ። ዋጋ ክሪፕቶካረንሲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ በጺሕዎ ካብ ዝነበረ ዝለዓለ ዋጋ 63 ሽሕ ዶላር ብፍርቂ ጎዲሉ እዩ። ትማሊ ሰኑይ ሃገራዊ ባንኪ ቻይና፡ ኣብ ቀረባ ንብዙሓት ባንኪታትን ትካላት ክፍሊትን ጸዊዑ ብክሪፕቶካረንሲ ኣብ ዝግበር ንግዲ ጥንኩር ስጉምቲ ክወስዳ ከም ዝገለጸለን ሓቢሩ፡፡ ባንኪታት ብክሪፕቶካረንሲ ንዝግበር ምትዕድዳግ ፍርያት ወይ ከም ንግዲ፣ ምውርራድ ሒሳብን ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታትን ከይህባ ከም ዝኣዘዘ እውን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ካብ ዓበይቲ ኣለቃሕቲ ባንኪታት ቻይና ዝኾነ ባንኪ ሕርሻ ቻይና፡ መምርሒ እቲ ማእከላይ ባንኪ ተኸቲሉ ክሪፕቶካረንሲ ተጠቒምካ ዝግበሩ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳት ንግዲ ንምቁጽጻር ይሰርሕ ከም ዘሎ ገሊጹ፡፡ ‘ቻይና ፖስታል ሴቪንግስ’ ዝተባህለ ባንኪ፡ ብክሪፕቶካረንሲ ኣቢሎም ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ከም ዘየሳልጥ ዝሓበረ ካልእ ባንኪ እዩ፡፡ ኣገልገሎት ክፍሊት ሞባይልን ኢንተርነትን ዝህብ ቻይናዊ ትካል ኣሊፐይ ብተመሳሳሊ፡ ብክሪፕቶካረንሲ ዝግበሩ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳት ዝቆጻጸር ስርዓት ከም ዝዝርግሕ ኣፍሊጡ፡፡ ሰበስልጣን ግዝኣት ሲችዋን ብዓርቢ ስራሕቲ ቢትኮይን ክዕጾ ምእዛዞም ስዒቡ እዩ እዞም ለውጢታት ተፈጢሮም ዘለዉ፡፡ ቻይና ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 65 ሚኢታዊት ጠቕላላ ፍርያት ቢትኮይን ሸፊና ዝነበረት ኮይና፡ ግዝኣት ሲችዋን ድማ ካብ ዓለም መበል ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ ምንባራ መጽናዕቲ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ የመልክት፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቤት ምኽሪ ቻይና፡ ኣካል እቲ ዝሓዞ ፋይናንሳዊ ሓደጋታት ናይ ምቁጽጻር ወፍሪ፡ ዕደናን ንግድን ክሪፕቶካረንሲ ደው ከም ዘብሎ ገሊጹ ነይሩ፡፡ ገለ ተንተንቲ ዋጋ ቢትኮይን ብቐጻሊ ክንኪ ከም ዝኽእል እዮም ዘጠንቅቑ፡፡ ብሰንኪ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ዓለም ኣብ ልዕሊ ዲጂታላዊ ባጤራ ዝግበር ዘሎ ጥቡቕ ቁጽጽር፡ ኣውፈርቲ ይሰግኡ ብምህላዎም ዋጋ ካልኦት ዲጂታላዊ ባጤራታት እውን ይጎድል ኣሎ። ብካልእ ዜና፡ ሶዘባይስ ዝተባህለ ኣጫራቲ ትካል ኣስታት 15 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ኣብ ቀጻሊ ወርሒ ንጨረታ ኣብ ዘቕርቦ ኣልማዝ ብክሪፕቶካረንሲ ምጭራት ከም ዝከኣል ኣፍሊጡ። ክንድ'ዚ መጠን ዘለዋ ኣልማዝ ብዲጂታላዊ ባጠራ ናብ ህዝባዊ ጨረታ ክቐርብ ንፈለማ እዋን እዩ።","category":"ውልቃዊ ፋይናንስ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57564797"} {"headline":"ኢትዮጵያ ልዕሊ 500 ቢልዮን ብር ዓመታዊ ሃገራዊ በጀት ከምእተጽድቕ ኣፍሊጣ","content":"ዓመታዊ በጀት ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ልዕሊ 500 ቢልዮን ብር ክኸውን ዝገብር ረቂቕ በጀት ብቤት ምኽሪ ሚንስትራት ጸዲቑ። ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኢትዮጵያ፡ ንዝመጽእ ዓመት ዝውዕል ዓመታዊ በጀት ካብቲ ሕሉፍ ብ85 ቢልዮን ክብ ዝበለ ረቂቕ ከምዘዳለወ ተፈሊጡ። ዓመታዊ በጀት መንግስቲ ፌደራል ልዕሊ 561 ቢልዮን ብር ክኸውን ምውሳኑ እቲ ረቂቕ ዘመልከተ ኮይኑ፡ ምስቲ ኣብ ዝውዳእ ዘሎ ዓመተ 2013 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ዝነበረ 476 ቢልዮን ክነጻጸር ከሎ ናይ 18 ሚኢታዊት ወሰኽ ኣለዎ። እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ ናይ 2014 ረቂቕ በጀት ቅድሚ ምጽዳቑ ነዚ ዝዛዘም ዘሎ ዓመት ኣብ ዘድልይ ተወሳኺ በጀትን ወጻእታት መንግስቲ ንምሽፋን ዘድልይ ምምሕያሽን ተግባረዊ ንክኸውን ኣብ ዝቐረበ ሓሳብ ምዝርራቡ ተፈሊጡ’ሎ። በዚ መሰረት እቲ ተወሳኺ በጀት ኣብ ትግራይ ምስ ዝተወለዐ ኲናት ብዝተሓሓዝ ንዘጋጠመ ወጻእታት፣ ብደርቂ ንዝተሃሰዩ፣ ንዝተፈናቐሉን ናብ ከባቢኦም ንዝምለሱን ዝኸውን ቀረብ ረድኤት፣ ለበዳ ኮቪድ-19 ንምክልኻል፣ ንድጎማ ቀረብ ድኹዒ [መሰሰኒ ምህርቲ]ን ምክልኻል ሓደጋ ውሕጅን ከምዝውዕል ኣነጺሩ። ብተወሳኺ ድማ ንፕሮጀክት ምጥንኻር ሚንስትሪ መዓድንን ነዳድን ከምኡ’ውን “መጠባበቒ በጀት ስለዝተወደአ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ንዘድልዩ ዝተፈላለዩ ወጻእታት መጠባበቒ በጀት ምምዳብ ኣገዳሲ ብምዃኑ” እቲ ተወሳኺ በጀት ከምዘድለየ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ። እቲ ተሓቲቱ ዘሎ ተወሳኺ በጀት ድማ 26.4 ቢልዮን ብር ከምዝኾነ ተፈሊጡ። እዚ መጠን ገንዘብ ግን ናብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ክጸድቕ ኣለዎ። በጀት ቀጻሊ ዓመት? እቲ ን2014 ተታሒዙ ዘሎ በጀት ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እንተጸዲቑ · 162 ቢልዮን ብር ንስሩዕ ወጻእታት · 183.5 ቢልዮን ንካፒታል ወጻእታት · 203.95 ቢልዮን ንክልላት · 12 ቢልዮን ንመፈጸሚ ሸቶታት ልምዓት ዝውዕል ደገፍ ኮይኑ ክመቓቐል’ዩ። ዓመታዊ በጀት ኢትዮጵያ፤ ኣብ 2011 ልዕሊ 346 ቢልዮንን 915 ሚልዮንን ከምኡ ድማ ኣብ 2012 ልዕሊ 386 ቢልዮንን 954 ሚልዮንን ብር ከምዝነበረ ይዝከር። እቲ ትሕቲ 300 ቢልዮን ብር በጀት ዝተትሓዘሉ እዋን ኣብ 2009 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ኮይኑ፤ ሽዑ እቲ ዓመታዊ በጀት 274.3 ቢልዮን ብር ነይሩ።","category":"ውልቃዊ ፋይናንስ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57374693"} {"headline":"ገዛእ ገንዘባ ካብ ባንክ ዝዘመተት ሊባኖሳዊት","content":"ሊባኖሳዊት ሳሊ፡ ሓፍታ ብሕማም ካንሰር ክትሳቐ እናረኣየት እንከላ ክትሕግዛ ኣይከኣለትን። እቲ ምኽንያት ድማ፡ ሕጊ እታ ሃገር፡ ሓደ ዜጋ ኣብ ወርሒ፡ ካብ ናይ ባንኪ ሕሳቡ ልዕሊ 400 ዶላር ከውጽእ ስለዘየፍቅደሉ'ዩ። በዚ ከኣ ሳሊ ናይ ሓሶት ሽጉጥ ተዓጢቓ ናብቲ ገንዘባ ዘቐመጠትሉ ባንክ ብምእታው ገዛእ ገንዘባ ዘሚታ ወጺኣ።","category":"ውልቃዊ ፋይናንስ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cm5ev8melmlo"} {"headline":"ብሪጣንያ፡ ብቢልዮናት ዝቑጸር ናይ ወረቐት ገንዘብ ናብ ድኹዒ ክትቅይር እያ","content":"ሎሚ ኣቕሓ ሸሚትኩም ወይ ኣገልገሎት ረኺብኩም እትኸፍልዋ ናይ ዕስራ ፓውንድ ወረቐት ገንዘብ፡ ኣብ ቀረባ መዓልትታት ናብ ድኹዒ ክትቅየር ትኽእል እያ። ባንኪ እንግሊዝ፡ ናይቲ ትማሊ ሓሙስ፡ ብፖሊመር ዝተቐየረ፡ 40 ቢልዮን ዋጋ ዘለዎ ናይ 20 ፓውንድ ወረቐት ቅርሺ፡ ምውጋድ ጀሚሩ። እቶም ኣስታት ክልተ ቢልዮን በዝሒ ዘለዎም ወረቐታት ቅርሺ ንሓመድ መደንፍዒ ንዝኸውን ድኹዒ መስርሒ ክውዕሉ እዮም። እቲ ዝግበር ዘሎ ናይ ቅርሺ ለውጢ ኣብ ታሪኽ ዓባይ ብሪጣንያ እቲ ዝዓበየ ናይ ቅርሺ ለውጢ እዩ። እቲ ምስሊ ሊቅ ስነ ቑጠባ ኣዳም ስሚዝ፡ ዘለዎ ነባር ቅርሺ 20 ፓውንድ፡ ናብ ባንኪ ወይ ፋይናንሳዊ ማእከላት እንተኣትዩ መሊሱ ኣይወጽእን። እቲ ነባር ቅርሺ ቀስ ብቐስ ካብ ዕዳጋ ዝወጽእ ኮይኑ፡ እኹል መጠን ምስተኣከበ ግን እቲ ባንኪ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ገደብ ብምሃብ ጠቕሊሉ ካብ ዕዳጋ ክወጽእ ከምዝገብር ገሊጹ ኣሎ። ኣብ 2007 ኣምፈ ምስሊ ኤድዋርድ ኢልጋር ዝሓዘ ወረቐት 20 ፓውንድ፡ ጠቕሊሉ ካብ ዕዳጋ ንምውጻእ ሰለስተ ዓመታት ወሲዱ ነይሩ።","category":"ባንኪንግ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51582781"} {"headline":"ብጌጋ ናብ ሕሳቦም ዝኣተወ 100 ሽሕ ዶላር ዘጠፋፍኡ ሰብ ሓዳር ብስርቂ ተኸሲሶም","content":"ሮበርትን ቲፋኒን ኣመሪካውያን ሰብ ሓዳር እዮም። እቲ ንሶም ዓሚል ዝኾኑሉ ባንክ፡ ብጌጋ 120 ሽሕ ዶላር ናብ ሕሳቦም ኣታዊ ገይሩሎም። ንሳቶም ድማ፡ ነቲ ዝኣተወሎም ገንዘብ፡ ዳርጋ ኩሉ ኣጠፋፊኦምዎ። ፖሊስ ከምዝበሎ፡ እቶም ሰብ ሓዳር ነቲ ናቶም ዘይኮነ ገንዘብ፡ ክቡር መኪናን ካልኦት ናውትን እዮም ዓዲጎምሉ። ሮበርትን በዓልቲ ቤቱን፡ እቲ ገንዘብ ናቶም ከምዘይኮነ ይፈልጡ ምንባሮም ከምዝኣመኑ ፖሊስ ገሊጹ። ወዲ 36 ዓመት ሮበርትን፡ ጓል 35 ዓመት ቲፋኒን፡ ብገበን ስርቂ ዝተኸሰሱ ኮይኖም ብዋሕስ ክፍትሑ ክኢሎም እዮም። እቲ ገንዘብ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ናብ ሕሳቦም ዝኣተወ ክኸውን ከሎ፡ ጌጋ ከምዝተፈጸመ ዝተፈለጠ ግን 20 ሰነ እዩ ነይሩ። ሽዑ፡ እቲ ገንዘብ ካብ ሕሳቦም ወጺኡ ናብቲ ትኽክለኛ ሕሳብ ክኣቱ ንምግባር ኣብ ዝፍተነሉ፡ እቶም ሰብ ሓዳር ነቲ ባንኪ እንተየፍለጡ፡ ኣስታት 107,000 ዶላር ከምዘጠፋፍኡ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ዝተፈላለያ ዓይነት መካይንን ናይ ገዛን ናውቲ ድሕሪ ምዕዳጎም፡ 15,000 ዶላር ድማ ንመሓዙቶም ሂቦም።","category":"ባንኪንግ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49645058"} {"headline":"ቁጠባ ኣመሪካ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብ30 ሚኢታዊ ከንቆልቁል እዩ ተባሂሉ","content":"ቁጠባ ኣመሪካ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ካብ 20 ክሳብ 30 ሚኢታዊ ከንቆልቁል ከምዝኽእል ሓለፊ ሃገራዊ ባንኪ [ፌዴራል ሪዘርቭ] እታ ሃገር ተዛሪቡ። ጄሮም ፓውል ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ምዝሕሓል እቲ ቁጠባ ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ጠጠው ዝብል ዘይኮነስ፡ ንቐጻሊ ዓመት'ውን ክዘልቕ ይኽእል እዩ። እቲ ቁጠባ ካብቲ ዝበጽሖ ጉድኣት ንክሓዊ፡ እቲ ለበዳ ክታበት ክሳብ ዝርከቦ ከጸግም ከምዝኽእል'ውን ተሰጊኡ ኣሎ። ብዚ ምኽንያት ሓላፊ እቲ ሃገራዊ ባንኪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓገግቲ ባይቶ ኣመሪካ፡ እቲ ቁጠባ ናብ ንቡር ንክምለስ ዘተባብዕ ፖሊሲ ከውጽኡን ተወሳኺ ገንዘባዊ ሓገዝ ከጽድቑን ሓቲቱ ነይሩ እዩ። ጄሮም ፓውል፡ \"እቲ ዘለናሉ ኩነታት ከቢድ እዩ። ኣብ ዜጋታት ዝበጽሕ ዘሎ ስቓይ ብቓላት ምግላጽ ኣይከኣልን። እንተኾነ፡ ጊዜ ይወስድ 'ምበር፡ እቲ ቁጠባ ናብ ንቡር ምምላሱ ኣይክተርፎን\" ኢሉ። ብሰንኪ እቲ ለበዳ ዘብጸሖ ጸቕጢ፡ ካብ ፍርቂ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ዛጊድ ልዕሊ 36 ሚልዮን ኣመሪካውያን ሰራሕ ኣልቦ ኾይኖም ኣለዉ። እዚ ሸቕሊ ኣልቦ ክፋል ሕብረተሰብ፡ 25 ሚኢታዊ ይኸውን። ካብኡ ድማ፡ እቲ ቀንዲ ግዳይ እቲ ትሑት መሃያ ተኸፋሊ ክኸውን ከምዝኽእል፡ ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኣዝየን ከም ዝህሰያ ይዝረብ። እንተኾነ፡ ናይታ ሃገር ፋይናንሳዊ ስርዓት ብርቱዕ ብምዃኑ፡ ቁጠባ ኣመሪካ ወዲቁ ከምዘይተርፍ እቲ ሓለፊ ወሲኹ ተዛሪቡ እዩ። እቲ ለበዳ ተመሊሱ ንኻልኣይ ጊዜ ዙርያ እንተመጺኡ፡ ኣብ መጻኢ ሰለስተ ወርሒ እቲ ቁጠባ ካብቲ ዝወደቖ ክለዓል ከምዝኽእል ወሲኹ ተሰፍዩ። በቲ ለበዳ ኣዝያ ዝተሃሰየት ኣመሪካ፡ ብበዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ኮነ ብሰንኩ ህይወቶም ዝሰኣኑ ዝወዳደራ የለን። ኣብ ገለ ግዝኣታት እታ ሃገር፡ ምስ ምፍኳስ ዕጽዋ ተኣሳሲሩ እቲ ሕማም ከይደግስ ተሰጊኡ ኣሎ።","category":"ባንኪንግ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52696060"} {"headline":"ካብ ባንኪ ክሰርቕ ኣብ ቱቦ ተቐርቂሩ ዝተረኸበ ኢጣልያዊ","content":"ካብ ባንኪ ንምስራቕ ይጉዓዝ ከምዝነበረ ዝተጠርጠረ ሓደ ጣሊናያዊ ኣብ ጥቓ ቫቲካን ኣብ ቱቦ ተቐርቂሩ ስለዝተረኸበ ሰራሕተኛታት መድሕን ህይወት ኣድሒኖምዎ። ሰራሕተኛታት ሃንደበታዊ ሓደጋታት ነቲ ወዲ ንምድሓን ናብ ሻምበቆ መተሓላለፊ ረሳሕ ማይ ንምብጻሕ 8 ሰዓታት ዝወሰደ ኳዕቲ ከምዘካየዱ ተገሊጹ። ካብ ውሽጢ ዓᎃቕ ጉድጓድ ዝወጽአ እቲ ጥርጡር ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሆስፒታል ናብዮት ይግበረሉ ስለዘሎ ይሓዊ ከምዘሎ ተሓቢሩ። ፖሊስ ነቲ ወድን ካልኦት ክልተ ሰባትን ብገበን ምዕናው ንብረት ህዝቢ ክኸሶም ምድላዋት ይገብር’ሎ። እቲ ጥርጡር ኣባል ናይቶም ባንኪ ንምዝራፍ ዝጽዕቱ ጉሓላሉ ክኸውን ከምዝኽእል መኮነናት ፖሊስ ሓቢሮም። ካልኦት ክልተ ካብቲ ከባቢ ክሃድሙ ክብሉ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰባት ንፖሊስ ብዘይምትሕብባር ብዝብል ገበን ከምዝተኸሰሱ መራኸብቲ ሓፋሽ ጣሊያን ኣቃሊሔን። ባንኪ ንምዝራፍ ፈተነ ኣካይዶም ተባሂሎም ካብ ዝተጠርጠሩ ሰባት እቶም ሰለስተ እቲ ባዕቲ ቅድሚ ምድህማሱ ካብቲ ሓደጋ ዘምለጡ ኮይኖም፡ እቲ ሕይ ኣብ ሆስፒታል ዝርከብ ውልቀ ሰብ ግን 6 ሜትሮ ዕምቆት ኣብ ዘለዎ ጉድጓድ ተቐርቂሩ እዩ ተረኺቡ። ወሃቢ ቃል ፖሊስ ንናይ ፈረንሳይ ማዕኸን ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “ምርመራና ይቅጽል’ዩ ዘሎ። እቶም ሰባት ሰረቕቲ’ዮም ናብ ዝብል መደምደምታ ኣይበጽሓናን ዘለና” ኢሉ። እቲ ኣብ ትሕቲ እቶም ሓደሽቲ ድኳናት ዝርከብ ሻምበቆ መእለይ ረሳሕ ፈሳሲ ናብ ክልተ ባንክታት ኣዝዩ ዝቐረበ ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ። ማዕኸናት ዜና ጣሊያን፡ እቶም ሰባት ከተማ ጸጥ ኣብ ዝበለትሉን ኣብ ናይ ዕረፍቲ ሰዓትን ኣብ ጥቓ ባንኪ ኣብ ዝርከብ በዓቲ ምርካብ ማለት ዕላምኦም እንታይ ከምዝኾነ ቁልጭ ኣቢሉ ዘርእይ’ዩ ዝብል ሓበሬታ የቃልሓ ኣለዋ። ነባሪ እቲ ከባቢ ዝኾነ ሓደ ውልቀሰብ ኣብቲ ከባቢ ብዛዕባ ዝተኸሰተ ነገር ዋላ ሓንቲ ኣፍልጦ የብልናን ኢሉ። “ኩላትና ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ስራሕቲ ሕደሳ’ዮም ዘለዉ ዝብል ሓሳብ’ዩ ነይሩና” ኢሉ።","category":"ባንኪንግ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cjqx425y1jqo"} {"headline":"ኡጋንዳ: ኣብ ናይ ወረቐት ገንዘብ እታ ሃገር ዝጸሓፍ ዘሎ ፖለቲካዊ መልእኽትታት","content":"ባንክ ኡጋንዳ ነቲ ኣብታ ሃገር ብብዝሒ ዝርአ ዘሎ፡ ኣብ ናይ ወረቐት ገንዘብ እታ ሃገር፡ ፖለቲካዊ መልእኽትታት ምጽሓፍን ነቲ ስእሊ ብማሕብራዊ መራኸቢታት ምዝርጋሕን ዘይሓላፍነታውን ዘይሕጋውን ምዃኑ ገሊጹ። ኣመሓዳሪ ባንክ ኡጋንዳ ኢማኑዌል ሙተቢለ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ናይ ወረቐት ገንዘብ ምጽያቕ፡ ነቲ ናይ መለለዪ ምልክታት ዘበላሹ \"ንዋጋ ናይቲ ገንዘብ ዘጥፍእን\" ንዕድሚኡ ዘሕጽርን ክኸውን ከም ዝኽእል ሓቢሩ። ካብ መንጎ እቶም ኣብቶም ናይ ወረቐት ገንዘብ ዝጸሓፉን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርግሑን ዘለው መልእኽትታት ነቲ ካብ ፍሉጥ ሙዚቀኛ ናብ ፖለቲከኛ ተቐይሩ ዘሎ ቦቢ ዋይን ዝድግፉ መልእኽትታት ይርከብዎ። ንዳግማይ መረጻ ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሰቨኒ ኣብ 2021 ዝድግፉ'ውን ካብቶም ዝተዘርግሑ መልእኽትታይ እዮም። ቦቢ ዋይን መን እዩ? 'ኣፍ ሮቢት' ብዝበሃል ቅዲ ሙዚቃ ዝፍለጥ ኡጋንዳዊ ቦቢ ዋይን፡ ዋላ እኳ ኣብታ ሃገር ልዑል ተቐባልነት እንተሃለዎ፡ ምስ መንግስቲ ሙሴቬኒ ዓይንን ሓመድን ካብ ዝኸውን ዓመታት ተቖፂሮም። ምስ ሙዚቃ ዝነበሮ ህይወት ብምግዳፍ፡ ናብ ህዝባዊ ፖለቲካ ምስተፀንበረ እውን፡ ኣባል ቤት ምኽሪ ኮይኑ ካብ ዝምረፅ፡ ነቲ ባይቶ ከጨንቖ ፀኒሑ እዩ። ልዕሊ 75 ዓመት ዝኾኖ ውልቀ ሰብ ንፕረዚደንትነት ንከይምረፅ ዝኽልክል ሕገ-መንግስቲ ኡጋንዳ፡ ንከይትንከፍ ተቓሊሱ እኳ እንተነበረ፡ ኣይተሳኽዐሉን። መንግስቲ ኡጋንዳ፡ ከም ፌስቡክን ትዊተርን ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ሚድያታት ቀረፅ ንክኸፍሉ ንዘውፅኦ ሕጊ'ውን ብትረት ክቃወሞ ፀኒሑ እዩ።","category":"ባንኪንግ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50750797"} {"headline":"ባንክታት ወጻኢ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትው ምፍቃድ ኣብ ባንክታት እታ ሃገር ዘሕድሮ ጽልዋ ይህሉ’ዶ?","content":"ኢንዳስትሪ ባንክ ኢትዮጵያ፡ ንባንክታት ሃገራት ወጻኢ ሓድሽ ኣይኰነን። ከም ኣብነት ባንኮ ዲ ሮማን ኣቢሲኒያ ባንክን ምጥቃስ ይክኣል። እንተዀነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ፍርቂ ሚእቲ ዓመት፡ ዕዳጋ ኢትዮጵያ፡ ከም ባንክን ቴሌኮምን ኣብ ዝኣመሰሉ ገዘፍቲ ዓውድታት ንሰብ ሃብቲ ወጻእን ብሕትን ክፉት ኣይነበረን። ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ መለስ ዜናዊ ኣብ 2012 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ዝተኻየደ ዓለምለኻዊ መድረኽ ቁጠባ ተረኺቡ፡ ኢትዮጵያ ዓወድታት ባንክን ቴሌኮምን ንሃገራት ወጻኢ ክፉት እትገብረሉ ዓቕሚ የብላን ክብል ተኻቲዑ ነይሩ። ኣቶ መለስ ኣብቲ እዋን፡ ሰብ ሃብቲ ወጻኢ “ኣይኰነን ንሕና ክንቈጻጸሮም፡ ክንርድኦም’ውን ዘይንኽእል ናውታት’ዮም ዝጥቀሙ። ከመይ ኢልና ኢና ድኣ ክንቆጻጸሮም? ኣይክኣልን’ዩ፤ ሕጂ ዓቕሚ የብልናን” ምባሉ ይዝከር። ነዚ ሓሳብ ዝድግፉ ኢትዮጵያውን እኳ እንተሃለው፡ ካብ ዕዳጋ ዓለም ተፈሊና ክንነብር ኣይንኽእልን ኢሎም ዝካትዑ’ውን ኣለው። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ኣብ ኢድ መንግስቲ ዘለው ትካላት ንመሸጣ ክቐርቡ ከም ዝኽእሉ ኣአንፊቱ ነይሩ። መንግስቲ፡ ተወሳኺ ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ወጻኢ ንምስሓብን ኣብ ሕርሻ ንዝተሞርኰሰ ቁጠባ እታ ሃገር ዘመናዊ ንምግባርን ብዝብል ነዞም ስጉምታት ከም ዝወስድ ይገልጽ። ብተወሳኺ፡ እዚ ስጉምቲ፡ ቀረብ ሸርፊ ወጻኢ ብምቅልጣፍ ኣብ ምፍጣር ስራሕን ዓለምለኻዊ ተወዳዳርነትን ክብ ብምባል ንቑጠባዊ ዕብየት ኣገዳሲ እዩ ይብል። በዚ መሰረት፡ ዓውዲ ቴሌኮም ንሰብ ሃብቲ ወጻኢ ክፉት ድሕሪ ምዃኑ፡ ኢንዳስትሪ ባንክ’ውን ንባንክታት ሃገራት ወጻኢ ክፉት ከም ዝኸውን ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ፡ ኩነታት ኣብታ ሃገር ዘለው ባንክታት ከምቲ ዝጸንሖ ከም ዘይቕጽል ገሊጹ ነይሩ። ድሕሪ ሕጂ “ባንክታት ብዘመናዊ መገድን ብቴክኖሎጅን ተደጊፎም ምስ ዓለማዊ ዕብየት ንክጉዓዙ፡ ምስ ባንክታት ካልኦት ሃገራት ንምውድዳር ዘኽእሎም ምድላው ክገብሩ ኣለዎም” ምባሉ ይዝከር። እዚ ምምሕያሽ፡ ባንክታት ወጻኢ ኣቐዲሙ ምስቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ባንክታት ብሽርኪ ስራሕ ክጅምሩ ዘኽእል ትሑት ርእሰማል ምድላው ዘካተተ እዩ። ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ ኣመሓዳሪ ማእከላይ ባንክ ይናገር ደሴ ብዙሓት ባንክታት ኣፍሪቃ ኣብ ዕዳጋ ኢትዮጵያ ንምእታው ድልየት የርእዩ ከም ዘለው ተዛሪቡ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ዝተፈላለዩ ባንክታት ወጻኢ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብያተ ጽሕፈት ከፊቶም ዕዳጋ እታ ሃገር ከጽንዑ ምጽንሖም ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት የመልክቱ። ‘ፋርዘር ኣፍሪቃ’ ዝተባሃለ መርበብ ሓበሬታ ብ2020 ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ካብ 2015 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ትሸዓተ ባንክታት ወጻኢ ኣብያተ ጽሕፈት ከም ዝኸፈቱ ጠቒሱ። እዞም ኣብ ኢንዳስትሪ ባንክ እታ ሃገር ድልየት ኣርእዮም ዝተባህሉ ባንክታት፡ ባንክ ኢንቨስትመንት ኤውሮጳ፣ ስታንዳርድ ባንክ፣ ኮሜርዝ ባንክ፣ ጀርመን ባንክ፣ ኬሲቢ ባንክ፣ ባንክ ኦፍ ኣፍሪካ፣ ዚራት ባንክ ከምኡ’ውን ኤክስፖርት-ኢምፖርት ባንክ ኦፍ ኢንዲያ ዝተባህሉ’ዮም። ኣቦ መንበር ፌርፋክስ ኣፍሪካ ፈንድ ግሎባል ዘመዴነህ ንጋቱ “እቲ ውሳነ ዓብዪ ስጉምቲ’ዩ” ይብል። “ኣነ፡ ኣብ ምዕባይ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ብዙሕ ሰሪሐ’የ። ኣርጀንቲና፣ ብራዚል፣ ከም ህንድን ቻይናን ዝበላ ሃገራት ኤስያ ከመይ ከም ዝከፈትኦ ምርኣይ ንኽእል ኢና” ብምባል እተን ሃገራት ዕዳግአን ንባንክታት ወጻኢ ከም ዝኸፈታ ይዛረብ። እዚ በዓል ሞያ ፋይናንስ፡ ብጃምላዊ ሃገራዊ ምህርቲ (ጂዲፒ) ንናይጄሪያን ደቡብ ኣፍሪቃን ስዒባ ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ እትርከብ ኢትዮጵያ፡ እቲ ዓውዲ ንሰብ ሃብቲ ክፉት ምግባራ፡ እታ ሃገር ንቢዝነስ ድልውቲ ምዃና ዘርኢ’ዩ ዝብል እምነት ኣለዎ። “ባንክታት ወጻኢ ክመጽኡ እንከለው፡ ዓለምለኻዊ ልምዶም ሒዞም’ዮም ዝመጽኡ። ናይ ምምሕዳር ልምዶም፣ ቴክኖሎጂኦም ከምኡ’ውን ሸርፊ ወጻኢ’ዮም ሒዞም ዝመጽኡ። ካብ ወጻኢ ዝመጽእ በዓል ሃብቲ ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ኣለዎም’ዩ” ይብል። ብኻልእ ወገን፡ ኣገልግሎት ዓማዊል (customer service) ካልእ ረብሓ እቶም ካብ ወጻኢ ዝኣትው ባንክታት ምዃኑ ይሕብር። “ንኣብነት ኣነ ኣብ ዝነብረሉ ኣሜሪካ: ባንክታት ንዓማዊሎም ብዝግባእ እዮም ዘገልግሉ። ኣብ ሃገርና እቲ ተጠቃሚ ነቲ ባንክ ለሚኑ’ዩ ዝጥቀም፤ ግርምቢጥ። ልቓሕ’ውን ንውሑዳት ሰባት’ዮም ዝህቡ” ብምባል የረድእ። ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ኣባል ማሕበር ክኢላታት ሕሳብ ዝዀነ ኣማኻርን በዓል ሞያ ኦዲቲንግን ጥላሁን ግርማ፡ እዞም ባንክታት ናብ ኢትዮጵያ ክኣትው ምፍቃድ፡ ሰብ ሃብቲ ወጻኢ ንምስሓብ ከም ዝጠቅም ይገልጽ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ምስፋሕ ቴክኖሎጂ፣ ሓደሽቲ ኣገልግሎታት ባንክ ንዓማዊል ክበጽሑ ኣብ ምግባር ሓጋዚ ተራ ከም ዝህልዎም ብምግላጽ ባንክታት ውሽጢ ዓዲ እኹል ገንዘብ ክህቡኒ’ዮም ኢሎም ዘይተኣማመኑ ሰብ ሃብቲ ወጻኢ ክስሕቡ ይኽእሉ’ዮም ይብል። ንኣብነት ይብል ኣቶ ጥላሁን፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ሲቲ ባንክ ወይ ስታንዳርድ ቻርተር እንተኣትዮም፡ ሰብ ሃብቲ ወጻኢ፡ መጽናዕቲ ክሰርሑ እንከለው ከም ሓደ ጽቡቕ ጐኒ ይርእዩዎ” ክብል የረድእ። ይኹን’ምበር፡ ኢትዮጵያ ኢንዳስትሪ ባንክ ንሃገራት ወጻኢ ክፉት እትገብረሉ ዘላ መገዲ ካብ ዓለምለኻዊ ትካላት ብዝበጽሓ ጸቕጢ ምዃኑ ኣቶ ጥላሁን ይገልጽ። “ዓለምለኻዊ ትካል ንግዲ ከም ሓደ ረቛሒ ዘቐምጦ፡ ሃገራት፡ ንግድን መሳለጥያታት ኣገልግሎትን ክእግዳ የብለንን ዝብል’ዩ። ስለዚ እቲ ጸቕጢ ብቐንዱ ካብ ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብን ዓለምለኻዊ ትካል ንግድን ዝመጽአ እዩ” ክብል ይምጉት። ዘመዴነህ፡ ዓለምለኻዊ ባንክታት ናብ ኢትዮጵያ ክመጽኡ እንከለው ምስቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ባንክታት ዝሰርሕሉ ዕድል ስለ ዘሎ ስግግር ቴክኖሎጂ ክገብሩ ይኽእሉ’ዮም ይብል። ይኹን’ምበር፡ “ባንክታት ውሽጢ ዓዲ ካብቲ ሕሉፍ ዝሓሸ ርእሰማልን ቴክሎጅን እኳ እንተሃለዎም ብዙሕ ይተርፎም’ዩ” ክብል ኣቶ ጥላሁን ይካታዕ። ስለዚ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ባንክታት ብሕቲ፡ ነዚ ንሕንሕ ብከመይ ክቃለሱዎ ይኽእሉ? ባንክታት ወጻኢ፡ ናብ ዓዲ ክኣትው ምፍቃድ ነቶም ሃገራዊ ባንክታት “ጽቡቕ ኣጋጣሚ” እዩ ዝብል ዘመዴነህ ንጋቱ እዩ። ንሱ፡ “ባንክታት ውሽጢ ዓዲ መኽሰብ እንተሃለዎም’ውን ብደረጃ ዓለም ናይ ምውድዳር ልምዲ የብሎምን። እዞም ባንክታት ክመጽኡ እንከለው ግን ሓቢሮም ዝሰርሑሉ ዕድል ክህልዎም’ዩ” ዝብል ናይ መካትዒ ሓሳብ የቕርብ። ባንክታት ውሽጢ ሃገር ነቲ ሓድሽ ፖሊሲ ተኸቲሎም ተነሓናሕቲ ኰይኖም ክቕጽሉ እንተደልዮም፡ ክወሃሃዱ ከምዘድልዮም መንግስቲ ይገልጽ። ዘመዴነህ በዚ ሓሳብ እዩ ዝሰማማዕ። “ኣብ ኢትዮጵያ ዓብዪ ባንኪ ዝዀነ ኣዋሽ ባንክ ንርእሱ፡ ኣብ ኣፍሪካ ኣብ መበል 83 ደረጃ እዩ ተሰሪዑ ዝርከብ” ብምባል እቶም ባንክታት ክውሃሃዱ ኣለዎም ንዝብል ሓሳብ የስምረሉ። ወሲኹ፡ “ሕጂ 18 ባንክታት ኣለው፤ ኣርባዕተ ካልኦት ክውሰኹ’ዮም። ኣስታት 10 ድማ ፍቓድ ይጽበዩ ኣለው፤ እዚ ፍጹም ኣድላዪ ኣይኰነን። ከም ናተይ ግምት፡ ድሕሪ ዓመትን መንፈቕን ሓሙሽተ ዝዀኑ ዓብዪ ዓቕሚ ዘለዎም ባንክታት ብሕቲ ክህልውና’ዮም” ኢሉ። እቶም ባንክታት፡ ክወሃሃዱ እንተኽኢሎም፡ ዓቕሞምን ቴክኖሎጂታቶምን ብምዕባይ፡ ጽልዋ ናይ’ቶም ካብ ወጻኢ ዝመጽኡ ባንክታት ዝጻወርሉ ዓቕሚ ክሃንጹ ይኽእሉ’ዮም ይብል። ንናይጄሪያ ብኣብነት ዘልዕል ኦዲተር ጥላሁን እውን በዚ ሓሳብ ዝሰማማዕ ኰይኑ፡ “መጀመርታ ብግዲ’ውን እንተዀነ ክውሃሃዱ ክግበር ይኽእል’ዩ፤ ወይ ክኣ ዓቕሚ ዘለዎ ነቲ ዓቕሚ ዘይብሉ ክጥቕልሎ ይኽእል’ዩ” ኢሉ። ምምጻእ ባንክታት ወጻኢ፡ ዋላ’ውን ነቶም ባንክታት እንተዘየጥፍኦም፡ ‘ኮርፖሬት’ ዓማዊሎም ግን ክምንዝዖም ከም ዝኽእል እቲ በዓል ሞያ ይጠቅስ። ባንክታት ወጻኢ፡ ቀንዲ ትኹረቶም ኣብ ከተማታት [ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን እታ ሃገር] እዩ ዝብል ኣቶ ጥላሁን፡ ባንክታት ውሽጢ ዓዲ ነቲ ኣብ ገጠር ዝነብር ክፋል ሕብረተሰብ ከገልግሉ ከም ዝኽእሉ ይዛረብ። “ብፖሊሲ እንተዘይኣገዲድናዮም፡ ሓደ ቤት ጽሕፈት ጥራይ ከፊቶም እቲ ዝተረፈ ብቴክኖሎጂ ብምትእስሳር’ዮም ስርሖም ዝሰርሑ እምበር፡ ከምቶም ናትና ባንክታት ብዙሓት ጨንፍራት ክኸፍቱ’ዮም ኢልካ ኣይሕሰብን” ኢሉ። እቲ ኣማኻሪ፡ ‘ኮርፖሬት ዓሚል ዝብል ሓሳብ ብተደጋጋሚ ኣልዒሉ’ዩ። ንምዃኑ ‘ኮርፖሬት’ ዓሚል እንታይ ማለት እዩ? ኣቶ ጥላሁን ነዚ ከብርህ እንከሎ፡ ኣብ ኢንዳስትሪ ባንክ 20\/80 ዝብሃል ነገር ኣሎ። እቶም 20 ሚኢታዊት ንባንክታት ገዚፍ ሸርፊ ወጻኢ ዘምጽኡ’ዮም። ባንክታት ወጻኢ፡ ነዞም ዓማዊል ንምምንዛዕ ተሃንጥዮም ከም ዝመጽኡ ኣይጠራጠርን። ዒላማ ዝገብሩዎ እቲ ‘ኮርፖሬት’ ዓሚል እምበር ንታሕቲ ወሪዶም ልቓሕ ክህቡ’ዮም ኢልካ ምሕሳብ ጌጋ’ዩ ብምባል የረድእ። “ነዚ’ዩ፡ ባንክታት እታ ሃገር ንምውድዳር ንክጥዕሞም ክውሃሃዱ ኣለዎም ዝብል፤ እቲ ብሄራዊ ባንክ’ውን 30 ወይ 40 ባንክታት ምቁጽጻር ኣየድልዮን” ይብል። ኣብ ጉዳያት ስነ ቑጠባ ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ብምቕራብ ዝፍለጥ ተመራማሪ ኢንስቲትዩት ሳይንሳዊ መጽናዕቲ ኩዌት ዶክተር ኣየለ ገላን፡ ባንክታት ወጻኢ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትው ምፍቃድ ካብ ዝቃወሙ ምሁራት እዩ። “እዚ ውሳነ፡ ቃንዛ ርእሲ ንዘለዎ ሰብ መድሓኒት ቅርጸት ከብዲ ከም ምሃብ’ዩ” ዝብል ዶክተር ኣየለ፡ እቲ ውሳነ ንውሽጣዊ ኩነታት እታ ሃገር ዘገናዘበ ከምዘየኮነ ይገልጽ። ንሱ ከም ዝብሎ፡ ኢንዳስትሪ ባንክን ፋይናንስን ኢትዮጵያ ክልተ ዓበይቲ ጸገማት ኣለውዎ። እቲ ሓደ፡ ‘ስትራክቸራል ኢንባላስ’ ማለት’ውን ዓበይቲ ባንክታት መንግስቲ ምስ ‘ንኣሽቱ’ ዝብሃሉ ባንክታት ዝወዳደሩ ምዃኖም እዩ። ነዚ ንምፍታሕ፡ እቶም ዓበይቲ ባንክታት ተኸፋፊሎም ንኣሽቱ ባንክታት ክዀኑ ምግባር፡ ወይ’ውን ናይ ብሕቲ ክዀኑ ምግባር እምበር ባንክታት ወጻኢ ምምጻእ መፍትሒ ኣይኰነን ኢሉ። እቲ ካልኣይ ጸገም እቲ ዓውዲ ድማ፡ ኣብ ዙርያኡ ዝግበር ቑጽጽር (regulation) ምዃኑ ዝገልጽ ዶክተር ኣየለ ነዚ ንከረድእ መጠን ወለድ ከም ኣብነት የልዕል። “ካብ ሃገራት ዓለም ብ15 ወይ 18 መጠን ወለድ ተለቂሕኻ፣ ነጊድኻ፣ ኣትሪፍካ ልቓሕ ብምምላስ ሃገር ክትቕየር ኢልካ ምሕሳብ ዘበት’ዩ”። ኣማኻሪ ፋይናንስ ኣቶ ጥላሁን ግን፡ እዞም ባንክታት ናብታ ሃገር ክኣትው ምፍቃድ መጠን ወለድ ክንኪ ይገብሩ’ዮም ኢሉ ይካታዕ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘሎ፡ መጠን ወለድ ናብ ሸውዓተ ወይ ሽዱሽተ ሚኢታዊት ክወርድ ኣለዎ ዝብል ዶክተር ኣየለ ገላን፡ እቶም ባንክታት መኽሰቦም እንተጐደለ’ውን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ቅድሚ ሕጂ ክልቅሑ ዘይኽኣሉ ሰባት ግን ልቓሕ ክረኽቡ ክሕግዞም እዩ ዝብል ርኢይቶ ኣለዎ። ብኻልእ ወገን፡ ባንክታት ወጻኢ ኣብ ኢንዳስትሪ ባንክ ኢትዮጵያ ክወፍሩ ምፍቃድ ሸርፊ ወጻኢ ከምጽኡ ይሕግዝ’ዩ ዝብል መካትዒ ሓሳብ ፈጺሙ ኣይቕበሎን። “ንዘላቒ ጸገም ጊዝያዊ መፍትሒ ምሃብ ትርጉም የብሉን” ዝብል ኣበሃህላ ጸዓዱ ብምጥቃስ ዘረድእ ዶክተር ኣየለ፡ “ናብ ውሽጢ ዓዲ ዝመጽእ ኩባኒያ፡ መጀመሪያ ብቢሊዮን ዶላር ዝቑጸር ገንዘብ ሒዙ ክመጽእ ይኽእል’ዩ። ስራሕ ምስ ጀመረ ግን ወርሓዊ ዶላር ናብ ወጻኢ ሃገር እዩ ዝልእኽ። ናብ ወጻኢ ምህርቲ ምልኣክ’ዩ ዶላር ዘምጽእ እምበር፡ እዞም ባንክታት ዶላር ኣምጺኦም ንዓና ዝልግሱሉ ምኽንያት የብሎምን” ኢሉ። ነቲ፡ ባንክታት ወጻኢ ሓደሽቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ምምጻእ ክሕግዙ’ዮም ዝብል መካትዒ ሓሳብ’ውን “ፎልስ ኢኮኖሚክስ” ማለት’ውን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ስነቁጠባ ብምባል ይነጽጐ። “እዞም ባንክታት ዘምጽኡዎ ቴክኖሎጂ ሮኬት ሳይንስ ኣይኰነን። እቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ውሽጢ ኣእምሮ ሰብ እምበር ኣብ ኢድ ባንክታት ኣይኰነን ዘሎ። መገጣጠሚ መኪና ወይ ፋብሪካ ድኹዒ ከነእቱ ኢና እንተዝብሉ ምተሰማማዕና” ይብል። ባንክታት ሃገራት ወጻኢ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትው እንከለው፡ እንታይ ዓይነት ቑጽጽር (regulation) ክግበረሎም ይግባእ? ካልእ ዓብዪ መካትዒ ጉዳይ እዩ። “ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዋላ ሓደ ባንክ ኣይወደቐን” ዝብል ዘመዴነህ፡ ክሳብ ሕጂ ሃገራዊ ባንክ ኣብ ዙርያ ቑጽጽር ብዙሓት ስራሕቲ ሰሪሑ’ዩ ይብል። “እንተዀነ፡ ሕጂ ባንክታት ወጻኢ ይመጽኡ ስለ ዘለው፡ ሃገራዊ ባንክ እዚ ዓቕሙ ሓፍ ከብሎ ይግባእ”። ናይዚ ምኽንያት፡ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝፈረዩ ባንክታት ምቁጽጻርን ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ቴክኖሎጂ ዘለዎም ዓለምለኻዊ ባንክታት ምቁጽጻርን ዝተፈላለየ ምዃኑ እዩ። ኣቶ ጥላሁን’ውን፡ ኣብ ዓማዊል ኣተኲሮም ንዝሰርሑ ባንክታት ዘገልግል ሓድሽ ናይ ቑጽጽር ስርዓት ክወጽእ ኣለዎ ይብል። “ብዙሓት ሰባት፡ ገዛ ወይ መኪና ንምዕዳግ ልቓሕ ይደልዩ’ዮም” ዝብል እቲ ኦዲተር፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራይ ብዙሓት ሰራሕተኛታት መንግስትን መንግስታዊ ዘይኰኑ ትካላትን “ወርሓዊ ንገዛ ክራይ ዝኸፍሉዎ ገንዘብ ንባንክ ክኸፍሉ ይኽእሉ’ዮም” ክብል የረድእ። ንኣቶ ጥላሁን እቲ ዝዓበየ ሕቶ፡ እቶም ሕጂ ናብ ኢንዳስትሪ ባንክ ክኣትው ተፈቒዱሎም ዘለው ባንክታት ወጻኢ “ክወጽኡ እንከለውኸ?” ዝብል እዩ። “ዓመታዊ ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ’ዮም ከውጽኡ ዝኽእሉ ዝብል ክትመን ዘለዎ ይመስለኒ፤ ኢትዮጵያውያን ብርኪ ዝገዝኡሉ ኣገባብ’ውን ክህሉ ኣለዎ” ዝብል ርኢይቶ ኣለዎ።","category":"ባንኪንግ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c510epy1p1vo"} {"headline":"ኢትዮ ቴሌኮም፡ ሲም ካርድ ንዘለዎ ሰብ ዕድል ልቓሕ ይፈጥር","content":"ቅድሚ 14 ኣዋርሕ ኣብ ኣገልግሎት ዝወዓለ 'ቴሌብር' ዝተሰምየ ስርዓት ገንዘብ ሞባይል - ኢትዮ ቴሌኮም፡ ምስ ቍጠባን ልቓሕን ዝዛመድ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሩ ኣሎ። ዋና ኣካያዲት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍረህይወት ታምሩ፡ እቶም ሓደስቲ ኣገልግሎታት ኣብ ስርዓት ፋይናንስ ዘይተጠቓለለ 60 ሚእታዊት ሕብረተሰብ ተጠቃሚ ንምግባር ዘኽእል እዩ ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ። ድጐማ ነዳዲን ክፍሊት ግብርን ሓዊሱ፡ ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ንምልእኣኽ፡ ክፍሊት ዕድጊን ኣገልግሎትን ንምፍጻም፡ ከምኡ’ውን ካብ ሃገራት ወጻኢ ገንዘብ ንምቕባል ዝውዕል ዝነበረ ቴሌብር ኣብዚ እዋን፡ ‘መላ’፡ ‘እንደ ኪሴ’’ን ‘ሳንዱቕ’ን ዝተበሃሉ ኣገልግሎታት ወግዓዊ ገይሩ'ሎ። ኢትዮ ቴሌኮም ዓማዊል ቴሌብር ገንዘብ ክቝጥቡን ክልቅሑን ዘኽእል ሓደስቲ ኣገልግሎታት ንምጅማር፡ ንልዕሊ 14 ኣዋርሕ ደንጕዩ’ዩ። ወይዘሮ ፍረህይወት፡ “ዝተዋህበና ፍቓድ ንዕኡ ስለዘየፍቅደልና ኢና ደንጕና። ስለዚ ብቴሌ ብር ካልኦት ኣግልግሎታት እናሃብና ካብ ሃገራዊ ባንክ ፍቓድ ንምርካብ ዘኽእል ስርሓት ከነካይድ ጸኒሕና” ኢላ። እቶም ኣገልግሎታት ከ እንታይ’ዮም? ኣብዚ ቀረባ እዋን ብቴሌብር ዝጀመሩ ሰለስተ ኣገልግሎታት፡ ተጠቀምቲ ብዘይ ዋሕስን ትሕጃን ንኽልቅሑ ወይ ንኽቝጥቡ ዘኽእሉ’ዮም ትብል እታ ሓላፊት። እዚ ኣገልግሎት ዓማዊል ንዝቝጥብዎ ገንዘብ ወለድ ዝኸፈለሉን ካብ ወለድ ነጻ ዝዀነ ኣማራጺታትን ዝሓዘ እዩ። እቲ ወለድ ዝኽፈለሉ ቍጠባ በብመዓልቱ ዝቕመርን ዓማዊል መዓልታዊ ዝረኸብዎ መጠንን ዘመልክት እዩ። ዓማዊል ቴሌብር፡ ዕድጊ እናፈፀሙ ገንዘብ ምስ ዝውሕዶም፡ እቲ ዝጐደሎም ገንዘብ ዝረኽቡሉ ስርዓት እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ዓማዊል ናይ ከም ማይ ኤሌክትሪክን ክፍሊት በቲ ስርዓት ኣቢሎም ክኸፍሉ የኽእል። እዚ ኣሰራርሓ ዓማዊል ዝጐደሎም መጠን ገንዘብ ክሳብ ክልተ ሽሕ ብር ዝሽፍን እዩ። ቴሌብር መላ፡ ዓማዊል ኣገልግሎት ልቓሕ ዝረኽቡሉ ኰይኑ፡ ውልቀሰባትን ትካላት ንግድን ዘካተተ’ዩ። ውልቀ ሰባት ኣብ ወርሒ ክሳብ 10 ሽሕ፡ ትካላት ንግዲ ከኣ ክሳብ 100 ሽሕ ክልቅሑ ዝኽእሉ ኰይኖም፡ ኣብ ሰሙን ወይ ብወርሒ ዝመልስሉ ኣሰራርሓ ዝሓዘ እዩ። ንትካላት ንግዲ ድማ፡ ክሳብ 3፡ 6 ን 9 ን ወርሒ ዝመልስሉ ኣሰራርሓ ተዘርጊሑ’ሎ። ቴሌብር መላ፡ “ንመካየዲ ስራሕ ከምኡ'ውን ሓድሽ ሓሳብ ሃልይዎም ናብ ንግዲ ክኣትዉ ንዝደልዩ ሰባት፡ ኣብ ግምት ብምእታው ዝቐረበ’ዩ” ትብል። መላ፡ እንደ ኪሴን ሳንዱቕን ብዝተባህሉ ኣገልግሎታት ቴሌብር፡ ኣብ መጀመርታ ዓመት ወርሓዊ ብማእከላይ ካብ 3 ክሳብ 4 ሚልዮን ዓማዊል ንምግልጋልን፡ ካብ 19.5 ክሳብ 20 ቢልዮን ብር ንምንቅስቓስ ከምዝተለመ እታ ሓላፊት ተዛሪባ። ካብዚኦም፡ እቲ ዓቢይ ብፅሒት ዝወስድ መላ ኰይኑ 9.8 ቢልዮን ብር ይሽፍን። ክፍሊት 6.4 ቢሊዮን ብር ብኣገልግሎት እንደ ኪሴ፡  3.3 ቢልዮን ብር ድማ ብሳንዱቕ ዝጠቓለል እዩ። ደጋጊሞም ልቓሕ ንዝወስዱ ዓማዊል ወሲኽካ፡ ኣብ ዓመት ን 108 ሚልዮን ዓማዊል ከገልግል ከምዝተለመ ድማ ኣረዲኣ። እቶም ኣገልግሎታት ኣብ ዝተጀመሩሉ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ልቓሕ ወሲዶም ዝመልሱን ዝቝጥቡን ዓማዊል ከምዘለዉ ዝገለፀት እታ ዋና ኣካያዲት ስራሕ ወ\/ሮ ፍረህይወት፡ ተስፋ ዝህቡን ‘ዝገርሙን’ ን ኵነታት ከምዘለዉ ኣረዲኣ። ብቴሌብር መላ ዝወሃብ ልቓሕ ዋሕስ ወይ ትሕጃ ከምዘይሕተተሉ ኸኣ ሓቢራ። ፋይናንሳዊ ትካላት፡ ንዘለቅሕዎ ገንዘብ ዋሕስ ወይ ትሕጃ ምሕታት ልሙድ መስርሖም እዩ። ካብዚ ኣሰራርሓ ብኣንፃሩ ብቴሌብር ዝቐርቡ ልቓሓት ዋሕስ ኣይሕተተሎምን። እንተዀነ እቲ ስርዓት ብዝንቀሳቐሰሉ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ [Artificial intelligence] ኣቢሉ ናይ ዓማዊል ኣታውን ወፃእን ምንቅስቓስ ገንዘብ ብምርኣይ መጠን ልቓሕ ይፈቅድ። እዚ ስርዓት፡ ዓሚል ዝገብሮ ምዝውዋር ገንዘብ ብምርኣይ፡ ብዝተፈላለዩ ደረጃታት ዝግለጽ ነጥቢ ዝህብ ኰይኑ፡ ልቓሕ ንዝመልሱ ዓማዊል ከኣ ዝሓሸ ልቓሕ ምርካብ ዝከኣለሉ ዕድል ይህብ። እዚ ኣገልግሎት ብቴሌብር ሞባይል  መተግበሪ  ወይ ብሓጺር ቁፅሪ  #127# ኣቢሉ ዝቐርብ ኰይኑ፡ ኵሎም ሲምካርድ ኢትዮ ቴሌኮም ዘለዎም ዓማዊል ኣብ ቴሌብር ዘለዎም መጠን ዝውውር ገንዘብ መሰረት ብምግባር ልቓሕ ዝህብ እዩ። እዞም ኣገልግሎታት ንምጅማር ዘኽእል መጽናዕቲ ከም ዝተኻየደ እትገልጽ እታ ኣካያዲት ስራሕ፡ ልክዕ ከምቲ ካልእ ኣገልግሎት ፋይናንስ ስግኣት ክህሉ ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ክኣቱ ከም ዝተግብረ ተዛሪባ። ብተወሳኺ እዚ ኣገልግሎት ባህሊ እታ ሃገር ኣብ ግምት ዘእተወ’ዩ ትብል። “ኵሉ ዓሚል ኣይመልስን ክንብል ኣይንኽእልን፤  . . . ልቓሕ ወሲዱ ኣይመለሰን ክብሃል ዘይደሊ ሰፊሕ ክፋል ሕብረተሰብ ኣሎና። እዚ ከም ብልጫ ኢና ንወስዶ።  . . . ሓደ ግዜ ልቓሕ ኣይመለሰን ማለት ከኣ ኣብ ዝቕፅል ኣይወስድን ማለት'ዩ። ስለዚ ሓደ ግዜ ክልተ ሽሕ ብር ተለቂሓ ምጥፋእ ድዩ ዝሓይሽ ወይስ ኣብ ዓመት ክልተ ወይ ሰለስተ ግዜ ክልተ ሽሕ፡ ኣርባዕተ ሽሕ ብር ልቓሕ ምውሳድ? እቲ ሕብረተሰብ እዚ ኢና ነረድኦ ዘለና” ትብል። ኣብ ኣፈጻጽማ ጸገም ከጋጥም ይኽእል እዩ ብዝብል ስግኣት፡ ነቲ ውጥን ተግባራዊ ካብ ምግባር ንድሕሪት ኣይንብልን እትብል ፍረህይወት፡ “60 ሚእታዊት ክፋል ሕብረተሰብ ኣገልግሎት ኣብ ዘይረኽበሉ ሃገር ሓደጋ [ሪስክ] ኣሎ ኢልና፡ ጸገም ገንዘብ ንምፍታሕ ዓቢይ ዓቕሚ ዝዀነ ነገር ዘይምጅማር ግቡእ እዩ ኢልና ኣይንሓስብን” ኢላ። ነዚ ብኣግባቡ ተጠቒሞም፡ ናብራኦም፡ ህይወቶምን መነባብሮ ስድራኦምን ክቕይሩ ዝኽእሉ ሚልዮናት ስለዘለው፡ ናታቶም ዕድል ኣይነበላሽዎን ትብል። ቴሌብር፡ ኣገልግሎት ምሃብ ካብ ዝጅምር ሓደ ዓመትን ክልተ ወርሕን ዘቝጸረ ኰይኑ፡ 22.2 ሚልዮን ዓማዊል ከም ዘፍረየ እታ ፈጻሚት ስራሕ ተዛሪባ። በዚ፡ ዝውውር ገንዘብ 34.1 ቢሊዮን ብር ከም ዝተኻየደን፡ ካብዚ እቲ 18 ሚእታዊት ገንዘብ ዝኣተወን ዝወጽአን ኰይኑ 40 ሚእታዊት ድማ ሰዓት ኣየር ንምምላእ ዝወዓለ እዩ። እቲ ዝተረፈ ብጽሒት፡ ገንዘብ ምልእኣኽ፡ ኣገልግሎት ክፍሊትን ዕድጊትን ምፍጻም ይሕዝ። ኣገልግሎት ማይ፡ ኤሌክትሪክን ካልኦት ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ምስ ዝህቡ ትካላት መንግስቲ፡ ምስ13 ባንክታትን 22 ሽሕ ትካላት ንግድን ክተኣሳሰር ዝተገብረ ኰይኑ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ልዕሊ 79 ሽሕ ወኪላት ከም ዘለውዎ ወ\/ሮ ፍረህይወት ታምሩ ትዛረብ። “እዚ ኣብ ሓጺር እዋን ክነዐውት ክኢልና ኢና፤ ከም ዓቢይ ዓወት ክኣ ንርእዮ” ትብል። ክሳብ ሕጂ፡ ቴሌብር “ስርዓት ክፍሊት ከሳልጥ ዝፀንሐ” ኰይኑ፡ እዚ ስርዓት ፋይናንስ ዘይበጽሖም ሰባት ተጠቀምቲ ምግባር ቀዳምነት ሂቦም ከም ዝሰርሑ’ውን ኣመልኪታ።","category":"ባንኪንግ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crg37z3qp4lo"} {"headline":"ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ንዝሕብሩ ሰባት ውዕለት ክኸፍል'ዩ","content":"ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ፡ ኣብታ ሃገር ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ንምቁጽጻር ንዝተሓባበሩ ውልቀሰባት ዝተፈላለየ መጠን ገንዘብ ከምዝኸፍል ኣፍሊጡ። ኣመሓዳሪ ብሄራዊ ባንኪ ዶክተር ይናገር ደሴ፡ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ መንግስቲ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ንምቁፅፃር ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ይወስድ ከምዘሎ ሓቢሩ። ንሱ፡ ኣብታ ሃገር እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ፡ ምንሃር ዋጋታት ንብረትን መነባብሮን ንምርግጋእ ዘኽእሉ ዝበሎም ዝተፈላለዩ ኣገባባት ዕላዊ ገይሩ። እቲ ሃገራዊ ባንኪ፡ ካብቲ ልዕሊ ዝተፈቕደ መጠን ገንዘብ ዝሓዙ ንዝጥቁሙ 15 ሚኢታዊ፣ ዘይሕጋዊ ሸርፊ ወፃኢ ንዝጥቁሙ 15 ሚኢታዊ፣ ዘይሕጋዊ ሓዋላ ንዝሕብሩ ድማ 25 ሽሕ ቅርሺ ውዕለታ ከምዝኸፍል እቲ  ኣመሓዳሪ ሓቢሩ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ዘይሕጋዊ መሸጣ ወርቂ ንዝሕብር 15 ሚኢታዊ ዋጋ እቲ ኣብ ቀይዲ ዝውዕል ወርቂ ዝኸፍል ኮይኑ፡ ምሕታም ናይ ሓሶት ባጤራ (ቅርሺ) ንዝጥቁም ድማ፡ ካብ 20 ሽሕ ክሳብ 200 ሽሕ ብር ከምዝኽፈል ተገሊፁ ኣሎ። ነዚ ዘይሕጋዊ ተግባር ኣብ ምጥቋም ንዝተሓባበሩ ሰባት ንምትብባዕ፡ እቲ ክፍሊት ውዕለት ዝምልከትን ድሕነቶም ዝተሓለወ ክኸውን ንምግባርን፡ መምርሒታት ተዳልዮም ከምዘለዉ እቲ ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንኪ ወሲኹ ገሊጹ። ካብ ናይ ውሽጢ ሃገር ጸሊም ዕዳጋ ባጤራ ገዚኦም፡ ካብ ወፃኢ ኣቑሑት ዘእትዉ ውልቀሰባትን ትካላትን፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዘለዎም መጠን ገንዘብ፡ ንሃገራዊ ባንኪ ናይ ባንኪ 'ስቴትመንት' ከቕርቡ'ውን ክግደዱ እዮም። ዋጋ ሸርፊ ዶላር፡ ኣብታ ሃገር ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት እናወሰኸ ዝመጽአ ዀይኑ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘሎ መጠን ሸርፊ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዝለዓለ ምዃኑ ይገልጹ። ኣብ ሕጋዊ ባንኪ፡ ንሓደ ናይ ኣመሪካ ዶላር ከባቢ 52 ብር ዝሽረፍ እንትኸውን፣ ኣብ ፀሊም ዕዳጋ ድማ ብዕፅፊ ይሽየጥ ከምዘሎ ነጋዶ ይዛረቡ። ነዚ ንምቁፅፃር ድማ፡ መንግስቲ ነቶም ጥርጡራት ዘይሕጋውያን ነጋዶ፡ ብተደጋጋሚ ኣብ ቀይዲ ከእቱ ከምዝፀንሐ ይግለጽ። ዶክተር ይናገር ደሴ ከምዝብሎ፡ 391 ሰባት ብዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብን ንጥፈታት ሓዋላን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ጉዳዮም ብሕጊ ይረአ ኣሎ። ምስዚ ተተሓሒዙ ድማ፡ ኣብቲ ዘይሕጋዊ ተግባር ተሓባበርቲ ዝኾኑ ሓለፍቲ ባንክን ሰራሕተኛታትን ምፅራያት ይካየደሎም ከምዘሎ ገሊጹ። ሃገራዊ ባንኪ፡ ቅድሚ ሕዚ፡ ዝኾነ ውልቀ ሰብ ልዕሊ 100 ሽሕ ብር፡ ትካላት ድማ ልዕሊ 200 ሽሕ ብር ኣብ ኢዶም ክሕዙ ከምዘይግባእ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።","category":"ባንኪንግ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/clm8lk3pzp0o"} {"headline":"ምልክዕትን ተጻዋቲትን ነይራ፡ ኣታሊላትኒ ድማ'","content":"ቶማስን ቶንያን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እዮም ተፋሊጦም፤ ብዛዕባ ዝፈትውዎ ልምዲ ጉዕዞን ዝውንንዎም ኣኽላብን ብቐጻሊ ንምዕላል ግዘ ኣይወሰደሎምን። ብምሒር ፍትወት ቀልቡ ዝጠፍኦ ወዲ 31 ዓመት ቶማስ፡ ብዛዕባ መጻኢ ናይ ሓባር ህይወቶም ይሓስብ ነበረ፤ ኮይኑ ግና ቶንያ መጭበርበሪት እምበር ናይ ፍቕሪ ሰብ ኣይነበረትን። \"ኣነን ቶንያን ብዙሕ ዘመሳስሉና ነገራት ነይሮም፤ ንሸውዓተ ኣዋርሕ ድማ መዓልታዊ ብስልኪ ነዕልል ነይርና። ጽብቕቲ፣ ተጻዋቲትን ለዋህን እያ ዝነበረት\" ብምባል ይዝክራ። \"ሕዚ ኾይነ ክሓስቦ፡ ክተታልለኒ ክንደይ ዝኣክል ቀሊል ከምዝነበረ ምእማን'ዩ ይኣብየኒ። ገንዘበይ ንምውሳድ፡ ውልቃዊ ምስጢራተይ ክህባ ኣብ ዝገብረኒ መጻወድያ ኣእትያትኒ ከምዝነበረት ኣይተረደአንን\" ይብል። ቶማስ፡ ግዳይ ናይቲ ኮነ ተባሂሉ ዝተምሃዘ ናይ ሕሶት ዛንታ እዩ። ቶንያ ወለዳ ከምዝሞቱን፡ ብሕማም ካንሰር ምስ ዝተጠቕዐት እኖ ሓጎኣ ከም እትነብርን ነጊራቶ። ንምግብን ክቡር መድሓኒት እኖ ሓጎኣን ባዕላ ከም እትኽፈሎ ብምግላጽ፡ ገንዘብ ክህባ ሓቲታቶ። ብኣንጻሩ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ብውርሲ ናይ እትረኽቦ ብዙሕ ሃብቲ መረዳእታ ድማ ኣርእያቶ፡ ናይ ሓቂ ግን ኣይነበረን። ነቲ ዘዳለወትሉ መጻወድያ ከይጠራጠር ድማ፡ ናብ ናይ ባንኪ ሕሳቡ ገንዘብ ከምዝለኣኾ ገበረት። ንሳ ናይ ሕሳብ ቁጽሪ ስለዘይብላ እቲ ዝተልኣኸ ገንዘብ ናብ ዝተፈላለዩ ሕሳብ ቁጽርታት ባንኪ ኣታዊ ክገብሮ ሓቲታቶ። ኮይኑ ግና እቲ ገንዘብ፡ ንሱ ከይፈለጠ እታ ጉሒላ፡ ብሽሙ ዘውጸአቶ ልቓሕ እዩ ነይሩ። እቶም ኣለቃሕቲ ትካላት፡ ደብዳበታት ክልእኹሉ ምስጀመሩ እዩ ግና ከም ዝተታለለ ፈሊጡ። ሽዑ ንሽዑ ናብቶም ኣለቃሕቲ ትካላት ብምኻድ ነቲ ዝተፈጠረ ነገር ኣረዲኡ፡ እቲ ገንዘብ ክምለስ ገይሩ። \"ሕዚ ማሕበራዊ ሚድያ ኣይጥቀምን እየ፤ ደጊመ ናብ ከምኡ ዓይነት ርክብ ክኣቱ ኣይደልን። ነዚ ነገር ክርስዖን፤ ደጊመ ሰብ ክኣምንን ነዊሕ ግዘ ክወስደለይ እዩ\" ይብል። ንቶማስ ዘጋጠሞ፡ ከምቶም ልሙዳት ኣብ መናእሰይ ዘጋጥሙ ምስ ፍቕራዊ ርክብ ዝተኣሳሰሩ ምትላላት ኣይኮነን። መብዛሕተኦም ምትላላት፡ ሰባት ንፍቕራዊ ርክብ ኣብ ዝራኸቡሎም መተግበሪታት ማሕበራዊ ሚድያ፡ ናይ ካሊእ ሰብ ስእልን ስብእናን ብምልባስ (catfishing) ዝፍጸሙ እዮም። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ካብ ዝተሓተቱ ሰባት፡ እቶም 27 ምኢታዊት ዝተጭበርበረ ምስሊ ብዝተጠቐሙ ሰባት፡ ናይ ምትላል ፈተነ ከምዝተገረሎም ሓቢሮም። እቶም ዝተታለሉ ወይ ክታለሉ ፈተነ ዝተገበረሎም ሰባት ብማእከላይ 321 ፓውንድ ከምዝተበልዑ ወይ ክብልዑ ከምዝነበሩ ገሊጾም። ካልኦት ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ ከምዝተጭበርበሩ ገሊጾም። ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸ ሓበሬታ ከምዘለመላኽቶ፡ ምስ ፍቕራዊ ርክብ ተኣሳሲሩ ኣብ ቀዳማይ መንፈቕ 2019፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ 8.9 ሚልዮን ፓውንድ ከምዝተጉሓለ ገሊጹ። እቲ ኣሃዝ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ ወቕቲ እንትወዳደር ብ 50 ምኢታዊት ወሲኹ እዩ። ፍቕራዊ ምትላላት፡ ስምዒታውን ቁጠባውን ሃስያ ከምዘብጽሑ እትገልጽ፡ ሓላፊት ቁጠባዊ ገበናት 'ዩከይ ፋይናንስ' ዝኾነት ካቲ ዎሮቢክ፡ \"ተቐባልነት ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝጅመር ፍቅራዊ ርክባት ምዕባዩ፡ ንገበነኛታት ጥጡሕ ባይታ ፈጢሩ እዩ። ስለዚ ኣብዚ ሎምዘበን ዝኽበር መዓልቲ ፍቑራት ሰባት ክጥንቀቁ ንምዕድ\" ኢላ። ብተወሳኺ ሰባት ብኣካል ንዘይፈልጥዎም ሰባት ገንዘብ ከይልእኹን፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዛዕባ ዝልጥፍዎም ውልቃዊ ጉዳያት ኣቐዲሞም ክሓስቡሉ ከምዝግባእን ይገልጹ።","category":"ባንኪንግ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51462886"} {"headline":"ባንኪ ዳች ንምንታይ እዩ ሰራሕተኛታት ከጉድል ጀሚሩ?","content":"ከም ኣካል`ቲ 18,000 ሰራሕተኛታት ብምብራር ሱር-ነቀል ዳግመ-ስርርዕ ናይ ምግባር ውጥኑ፡ ባንኪ ዳች ፈላማይ ክፋል ናይ`ቲ ውጥን ዝሓለፈ ሰንበት ኣተግቢሩ`ሎ። ኣብ ለንደን፣ ኒው ዮርክን ቶክዮን ዘለዉ ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ከምዝእለዩ ተሓቢርዎም ኣሎ። ገለ ካብ`ቶም ኣብ ለንደን ዝመደበሮ ሰራሕተኛታት ናብ ህንጻ`ቲ ባንኪ ዝኣትዉሉ መሕለፊ ፍቓድ ድሕሪ ሰዓት 11 ከምዘይሰርሕ ኣቐዲሙ ስለዝተሓበሮም ናብ ስራሕ ኣይወፈሩን። ዕላማ ናይ`ቲ ለውጢ ነቲ ባንኪ \"ቅርጡውን ሓያልን\" ንምግባር`ዩ ኢሉ ኣፈኛ`ቲ ባንኪ። ዳች ባንኪ ገና ዝርዝር ናይ`ቲ ምቕናስ ሰራሕተኛታት ኣይሃበን ዘሎ፡ እንተኾነ ግን ካብ`ቲ መብዛሕትኡ ኣብ ለንደንን ኒውዮርክን ዝካየድ ንግዲ ብርኪታት ክስሕብ`ዩ። ምንቅስቓስ ንግዲ ብርክታት ዳች ባንኪ ኣብ እስያ ካብ ሆንግ ኮንግ`ዩ ዝመሓደር፡ እቲ ኣፈኛ ናይ`ቲ ባንኪ ግን ብዛዕባ`ቲ ምቕናስ ኣብ ሽቕለት እስያ ዝህልዎ ሳዕቤን ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ። እቲ ኣስታት 8,000 ሰራሕተኛታት ዘለውዎ ዳች ባንኪ ሓደ ኣብ ከተማ ለንደን ካብ ዘለዉ ዝዓበዩ ኣስራሕቲ`ዩ። ገለ ሰራሕተኛታት ኣብ ግዳም ናይ`ቲ ኣብ ለንደን ዘሎ ባንኪ ኮይኖም ኣብ ሞባይሎም ብሕርቃን ክዛረቡ ተራእዮም። ገለ ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ከምዝተባረሩ ድሮ ተነጊርዎም፡ ካልኦት ድማ ክባረሩ ድዮም ኣይባረሩን ንምፍላጥ ይጽበዩ ኣለዉ። ገለ ሰራሕተኛታት ድማ ኣብ ጥቓ`ቲ ባንኪ ዝርከብ ባር መስተ ክሰትዩ ተራእዮም። ኣብ`ቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ ባንኪ ጥራይ ኣስታት 800 ሰራሕተኛታት ከምዘለዉ ነጊሮምኒ። \"ኣብ`ዚ ሕጂ እዋን ቅሱን ዕዳጋ ኣይኮነን። ሰባት ብዙሓት ሰራሕተኛታት ክቖጽሩ ኣይደልዩን`ዮም ዘለዉ\" ኢሉ ሓደ ቅዙዝ ሰራሕተኛ። ብዘይካ`ቶም ብርክታት ዝሸጡን ዝዕድጉን ኣብ`ኦም ዝምርኮሱ ኣካላትን እንተዘኮይኑ፡ ሰራሕተኛታት ባንኪ ዳች ግዳያት ናይ`ቲ ብቕናስ ክኾኑ ድዮም ኣይኮኑን ኣይፈልጡን`ዮም። \"ኣይነገሩናን ዘለዉ\" ኢሉ ሓደ ካብኣቶም። \"እቶም ክፈልጡ ዘለዎም ጥራይ ይፍለጡ ኣብ ዝብል ኣብር ዝተመርኮሰ`ዩ\"። ክትፈልጥ ኣይምደለኻን ንዝብል ሕቶ ድማ \"ምደለኹ`ባ፡ ኣንተኾነ ግን ክሳብ ህጂ እንተዘይተነጊሩን፡ ተስፋ ንገብር ድሒንና ኢና ማለት`ዩ\" ኢሉ ንሱ። \"ኣብዚ ሃገር ኣገዳሲ ዝኾነ ህላወ ክህልወና`ዩ፡ ምስ ብሪጣኒያውያን ዓማዊልናን ኣብ ዕዳጋ ለንደን ክጥቀሙ ዝደልዩ ዓለም-ለኻውያን ትካላትን ድማ ጥቡቕ ሽርክነት\" ኢሉ እቲ ባንኪ ብሰኑይ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ። ሓላፊ ባንኪ ዳች ክርስቲያንናብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ ዞባዊ ዝርዝር ናይ`ቲ ምቕናስ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ፡ እንተኾነ ግን መስርሕ ምሕባር`ቶም ዝቕነሱ ሰራሕተኛታት ጀሚሩ ከምዘሎ ሓቢሩ። ነቲ ምቕናስ ድማ \"ዘሕምም ግን ከኣ ናይ ነዊሕ እዋን ዓወት ናይ`ቲ ባንኪ ንምርግጋጽ ግን ዘይውገድ ስጉምቲ`ዩ\" ኢሉ። ብሰንኪ`ቲ ናይ ምቕናስ ስጉምቲ` ድማ ብሰኑይ ብርክታት ናይ ባንኪ ዳች ብሓሙሽተ ሚእታዊት ኣንቆልቊሉ ውዒሎም። እቲ ባንኪ ክሳብ 2022 ኣብ ዘሎ እዋን ዓለም-ለኻዊ ሓይሊ ሰቡ ብ75,000 ክቕንስ ምዃኑ ኣፍሊጡ፡ እቲ መስርሕ ዳግመ-ስርርዕ ነቲ ባንኪ ኣብ ዝቕጽሉ ሰለስተ ዓመታት 6.6 ቢሊዮን ዶላር ወጻኢ ክሓቶ`ዩ። ኣብ ካልኣይ ፈረቓ ናይ`ዚ ዓመት ድማ ናይ 2.8 ቢሊዮን ዩሮ ክሳራ ከስዕበሉ`ዩ። \"ርእሰ-ማልና ዓማዊልና ዝያዳ ክንገብሮ ኣብ ዝደልዩና ዓይነት ዋኒን ከነቶክር ወሲንና ኢና\" ኢሉ ኣፈኛ`ቲ ባንኪ። \"ኩባኒያታት ዓለምማብ ምሉእ ዓለም ንግዲን ወፍርን ንምድጋፍ ዘድልየን ውፉይ ናይ ፋይናንስን ባንኪን ኢና ንሃንጽ ዘለና\" ኢሉ። \"ባንኪ ዳች ዓለም-ለኻዊ ባንኪ ኮይኑ ክቕጽል`ዩ፡ ንሱ`ዩ ኸኣ ዓምዊልና ዝደልይዎ\" ድማ ኢሉ። ኣብ ክንዲ ዓማዊልን ኩባኒያታትን ኮይኖም ብርክታት ይገዝኡን ይሸጡን። ባንኪ ዳች ድማ እዚ ንግዲ ኤኲቲ ዝበሃል ክፋን ጽላት ባንኪ ተወዳዳራይ ኣይኮነን ይብል። ዓላማ ናይ`ቲ ዳግመ-ስርርዕ \"ተወዳዲራ ክትዕወት እትኽእል ባንኪ ንምፍጣር`ዩ\" ኢሉ ሚስተር ሰዊን ብሰኑይ ንጋዚጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ። \"ምስ`ቶም ዝበለጹ ክንወዳደር እንተዘይክኢልና ኣብ`ቲ ጸወታ ኣይክንህሉን ኢና\" ድማ ኢሉ። እቲ ዳግመ-ስርርዕ እቲ ምስ ኮመርዝ ባንኪ ናይ ምጽምባር ዝርርብ ኣብ ዝሓለ ወርሒ ሚያዚያ ድሕሪ ምፍሻሉ ስዒቡ`ዩ መጺኡ። ኣብ ጽላት ባንኪ ሓደ ሃገራዊ ጎብለል ክፈጥር`ዩ ብምባል መንግስቲ ጀርመን ነቲ ጽምበራ ደጊፍዎ ነይሩ። እንተኾነ ግን ክልቲኤን ባንኪታት ዋጋ`ቲ ጽምበራ ካብ መኽሰቡ ክዛይድ ይኽእል`ዩ ኢለን ስለ ዝፈርሓ እቲ ተወጢኑ ዝነበረ ጽምበራ ኣዝዩ ኣስጋኢ`ዩ ኢለንኦ። እታ ብሰልኪ ምንቁልቋል ወፍሩ ንዓመታት ክሽገር ዝጸንሐ ባንኪ ዳች ሓያሉ ፈተነታት ዋኒኑ ንምብርባር ሓያሎ ፈተነታት ገይሩ`ዩ። እቲ ኣዝዩ ጥሙሕ ዝኽዕነ ናይ ቀረባ እዋን ፈተንኡ ድማ ድሮ ንሓደ ላዕለዋይ ኣካያዲ`ቲ ባንኪ ስርሑ ክለቅቕ ኣገዲዱ`ዩ። ሓላፊ ወፍሪ`ቲ ባንኪ ጋርት ሪቺ ስርሑ ከምዝለቅቕ እቲ ባንኪ ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ብርግጽ፡ ኣማኢት፡ ወይ`ውን ኣሽሓት ሰራሕተኛታት ክስጎጉ`ዮም። እቲ ባንኪ ዝገድፎ ዘሎ ዓይነት ንግዲ ብዝያዳ ኣብ ኒው ዮርክን ለንደንን ክካየድ ዝጸንሓ ዓይነት ንግዲ ስለዝኾነ እቲ ፋስ ኣብ ክንዲ ኣብ ጀርመን፡ ኣብ ብሪጣኒያን ኣሜሪካን በርቲዑ ናይ ምውዳቕ ተኽእሎ ኣለዎ። እቲ ኣብ ብሪጣኒያ ኣስታት 8,000 ሰራሕተኛታት ዘለውዎ ባንኪ ኣብ ምሉእ ዓለም ካብ ዘሎ ሓይሊ ሰራሕተኛታቱ 20 ሚእታዊት ክንክይ መደብ ኣለዎ። እዚ ማለት ድማ ኣብ ብሪጣኒያ ኣሽሓት ሰራሕተኛታት ከምዝሰጉግ ብቐሊሉ ክትርድኦ ትኽእል። እዚ ፍጻመ፡ ሓዲሽ ቁጠባዊ ቅልውላው ዘርእይ ዶ ይኸውን? ኣይፋል! እዚ ነቲ ኣብ 1990ታትን ድሕሪ 2000 ዝነበሩ ዓመታትን ብቕልጡፍ ዘስፋሕፍሐ ባንኪ ዳች ጥራይ ዝምልከት ጸገም`ዩ። እቲ ባንኪ ቁጠባዊ ቅልውላው ምስ ኣጋጠሞ፡ ዋኒኑ ብምቕናስ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ደንጉዩ`ዩ። እንሆ ድማ ሕጂ ዋጋ ናይ`ቲ ምድንጓዩ ይኸፍል ኣሎ።","category":"ባንኪንግ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48974971"} {"headline":"ትግራይ፡ ብጌጋ ናብ ባንኪ ዝኣተወሉ 1 ሚልዮን ብር ዝመለሰ ነባሪ ከተማ መቐለ","content":"ኣይተ ደሳለኝ ብስራት ኣብ ስራሕቲ ንግዲ ባጃጅ (በዓልቲ ሰለስተ እግሪ ተሽከርከርቲ) ዝተዋፈረ እዩ። ቀዳም 18 ታሕሳስ 2012 [ኣ.ኢ] ኣማስዩ ሓደ ሓጺር መልእኽቲ ብስልኩ ይበጽሖ። እቲ መልእኽቲ ካብ ኣንበሳ ኢንተርናሽናል ዝተልኣኸ ኮይኑ '1 ሚልዮን ብር ናብ ሕሳብካ ኣትዩሎ' ዝብል ትሕዝቶ ነይርዎ። \"ብጌጋ ዝኣተወ ምዃኑ ዝተገንዘብኩ ኣካውንተይ [ቁጽሪ ሕሳብ ባንኪ] ሓድሽ ምዃኑ እንትሓስብ'ዩ። ናብ ካልእ ኣካውንተይ እንተዝኸውን ዝኾነ 'ሰብ ኣታዊ ገይሩለይ ኣሎ' ምበልኩ ነይረ\" ይብል ኣይተ ደሳለኝ። ስለዝኾነ፡ ተጠራጢሩ ሰኑይ ንጉሆ ናብቲ ባንኪ ከይዱ። ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሓደ ነጋዳይ [ካብ ኣዲስ ኣበባ መርካቶ] ብመሰረት ምስ ሓደ ቻይናዊ ዝነበሮ ውዕሊ፡ 1 ሚልዮን ብር ናብ ናይ ሓደ ውልቀ ሰብ ሕሳብ ከእቱ ነይርዎ። እቲ ቻይናዊ 'ናብዚ ኣካውንት ኣታዊ ግበሮ' ኢሉ ናይ ካልእ ሰብ ቁጽሪ ሕሳብ ባንኪ ይልእኸሉ። እቲ ነጋዳይ ድማ፡ ነቲ ገንዘብ ናብቲ ውልቀሰብ ክልእኽ ናብ ኣንበሳ ባንክ ይኸይድ። ኣብቲ ባንኪ ምስበጽሐ ግን እቲ ቁጽሪ ሕሳብ ባንኪ ምስቲ ስም ዝመሳሰል ኣይነበረን። ንምጽራይ ድማ ናብቲ ቻይናዊ ብምድዋል ከረድኦ ይፍትን። \"ምናልባት ስም ኣጋግየ ክኸውን ይኽእል'የ። እቲ ቁጽሪ ግን ትኽክል ስለዝኾነ ስቕ ኢልካ ኣታዊ ግበሮ\" ዝብል መልሲ ይህቦ። በዚ ምኽንያት'ዩ እቲ 1 ሚልዮን ናብ ሕሳብ ኣይተ ደሳለኝ ደበኽ ዝበለ። ኣካያዲ ስራሕ ባንኪ ኣንበሳ ጨንፈር ራጉኤል [ኣዲስ ኣበባ] ኣይተ መድሃንዬ ኪዳነ ካብ መቐለ ምስተደወሎ እቲ ስሕተት ብሰራሕተኛታት ዝተፈጸመ መሲልዎ ነይሩ። ገንዘብ ዝተልኣኸሉ መረዳእታ (ሰነዳት) ምስተረኣየ ግን ዝተፈጸመ ስሕተት ከምዘየለ ኣረጋጊጹ። ሽዑ ናብቲ ለኣኺ ብምድዋል ከምዘዘራረቦ ኣይተ መድሃንየ የረድእ። ነዚ ዝሰምዐ ለኣኺ ብጣዕሚ ሰንቢዱ። ብዛዕባ'ቲ ዝተፈጠረ ነገር ዝሰምዑ መሓዙት ኣይተ ደሳለኝ ብጣዕሚ ተገረሙ። ገሊኡ 'ጽቡቕ ጌርካ' ክብሎ ከሎ ገሊኡ ከኣ 'እንታይ ኾይንካ? [ትመልሶ]' ዝብል ርእይቶ ይህቦ። \"ኣውጺእኻ ኣቐምጦ\" ፣ \"ስቕ ኢልካ ተጠቐመሉ'ሞ ሓታቲ እንተመጺኡ ትመልሰሉ\" ዝብሉ'ውን ኣይተስኣኑን። ንሱ ግን \"ክመልሶ እንተደኣ ኮይነ ብእዋኑ ክመልሶ ኣለኒ፤ ብዝብል መሊሰዮ\" ይብል። ህያብ ኣይተ ደሳለኝ ካብ ባንኪ ባንኪ ኣንበሳ ንኣይተ ደሳለኝ ናይ ምስጋና ደብዳበ ብምጽሓፍ ንሰናይ ተግባሩ ኣፍልጦ ከምዝሃቦ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ባንኪ ኣይተ መድሃኔ ይዛረብ። \"ብዙሕ ጸገማት ኣብ ዝረኣየሉ እዋን ተግባር ኣይተ ደሳለኝ ካብ ግምት ንላዕሊ እዩ\" ክብል ገሊጹ።","category":"ባንኪንግ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51016491"} {"headline":"ኣንጎላ፡ ንብረት ጓሉ ንፕረዚደንት ነበር ዶ ሳንቶስ ከይንቀሳቐስ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ","content":"ቤት ፍርዲ ኣንጎላ፡ ንብረት ቤልየነር ጓል ፕረዚደንት ኣንጎላ ነበር ጆሰ ኢድዋርዶ ዶስ ሳንቶስ፡ ከይንቀሳቐስ ኣዚዙ። እቲ ተግባር ኣካል ናይቲ መንግስቲ ፕረዚደንት ጃዎ ሎሬንኮ ዝጀመሮ ወፍሪ ጸረ ብልሽውና ኮይኑ፡ እቲ መንግስቲ ብኢዛቤላ ዶስ ሳንቶስን ተሓባበርታን ዝተወሰደ ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ንምምላስ ዝዓለመ ምዃኑ ይንገር። እታ 2.2 ቢልዮን ዶላር ሃብቲ ከምዘለዋን ካብ ኣፍሪካ ዝሃብተመት ጓል ኣንስተይቲ ከምዝኾነት ዝንገረላን ኢዛቤላ ዶስ ሳንቶስ፡ ወላዲኣ ንኣንጎላ ይመርሕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝፈጸመቶ ምጥፍፋእ ከምዘየለ ብተደጋጋሚ ገሊጻ እያ። እታ ጓል 46 ዓመት ቢልየነር፡ ዓበይቲ ትካላት ንግዲ እትውንንን ኮይና፡ ንህይወተይ ይሰግእ እየ ብምባል ነታ ሃገር ገዲፋ ወጺኣ እያ። ቤት ፍርዲ ኣንጎላ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ቁጽሪ ሒሳብ ባንካ ከይንቀሳቐስን ኣብ ኩባንያ ቴሌኮም ዩኒቴልን ባንኪ ፎሚንቶ ዲ ኣንጎላ ዝነበራ ብጽሒት ክእገድን ወሲኑ ኣሎ። ንውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ \"ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ ጥቕዓት\" ክትብል ዝኾነነት ኢዛቤላ ግና፡ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ሰራሕተኛታታ ተስፋ ከይቖርጹን ዓለምለኻውን ሃገራውን ሕግታት ተጠቒማ ነቲ ውሳነ ከምእተፍርሶ ተዛሪባ ኣላ። ኣብ 2016 ፕረዚደንት ኣንጎላ ነበር ጆሰ ኤድዋርዶ ዶስ ሳንቶስ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንጓሉ ኢዛቤላ ሓላፊት ናይቲ ብመንግስቲ ዝውነን ኩባንያ ነዳዲ ሶናንጎል ክትከውን ድሕሪ ምሻሙ ተፈላጥነት ክትረክብ ኣኽኢልዋ'ዩ። ኣንጎላ ካብተን ብነዳዲን ኣልማዝን ዝሃብተማ ሃገራት ዓለም ምዃና ይፍለጥ። ይኹን እምበር፡ ፕረዚደንት ነበር ዶስ ሳንቶስ ካብ ስልጣን ምስ ወረደ ንክትከኦ ባዕሉ ዝሓረዮ፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ጃዎ ሎሬንኮ፡ ኣብ 2017 ካብ መዝነታ ኣባሪርዋ'ዩ። ፕረዚደንት ሎሬንኮ ኣብ ልዕሊ ብልሽውና ተሪር መርገጺ ሒዙ ከም ዘለዎን፡ ነቲ ካብታ ሃገር ዝወጸ ብቢልዮናት ዶላራት ዝቑጸር ሃብቲ ንምምዕላስ ሓያል ጻዕሪ የካይድ ከም ዘሎ ይግለጽ። ኣካያዲ ትካል ማዕከን ሃብቲ ኣንጎላ ዝነበረ፡ ሓዋ (ብሓደ ጎኒ) ጆሰ ፊሎመንተ ዶስ ሳንቶስ'ውን፡ ብብልሽውና ተኸሲሱ ይርከብ። ኣብ መዝነት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንሱን መካስስቱን፡ ኣስታት 500 ሚልዮን ዶላር ኣጠፋፊኦም ተባሂሎም ተኸሲሶም ኣለዉ።","category":"ባንኪንግ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50966018"} {"headline":"ኣብ ሰለስተ ከተማታት ትግራይ ኣገልግሎት ባንክ ጀሚሩ' ነበርቲኸ እንታይ ይብሉ?","content":"ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ኣብ ሰለስተ ከተማታት ክልል ትግራይ ንነዊሕ እዋን ተቛሪፁ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ። እቲ ባንክ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር መንግስቲ ፈደራል ኣብ ከተማታት ሽረ፡ ኣላማጣን ኮረምን ስርሑ ጀሚሩ። ነዚ መሰረት ብምግባር ቢቢሲ ካብ ከተማ ሽረ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ እቲ ኣገልግሎት ከምዝጀመረ ሰሚዖም ናብ ባንክ ከም ዝኸዱን እንተዀነ “ገንዘብ የለን” ዝብል ምላሽ ከም ዝጸንሖምን፡ ካብ ሕሳቦም ገንዘብ ከውጽኡ ከምዘይክእሉን ከም ዝተነግሮም ይገልጹ። ኣብዘን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣገልግሎት ባንክታት ተቛሪጹወን ዝጸንሓ ከተማታት ዝርከባ ጨናፍር ንግዳዊ ባንክታት ዳግማይ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመረ ብ10 ታሕሳስ 2015 [ግእዝ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ይሕብር። ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ነባሪ ከተማ ሽረ፡ “ባንኪ ተኸፊቱ ሰሚዐ ምስከድኩ ‘ቅርሺ ስለዘይመጽአ ክንህበኩም ኣይንኽእልን’ ብዝብል ኣፋንዮምኒ። ምድረገነት እትበሃል ጨንፈር ባንኪ ንግዲ ኢትጵያ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ካብ ሕሳበይ ከውፅእ ከምዘይክእል ነጊሮምኒ” ኢሉ። “ሰባት ባንኪ ተኸፊቱ ኢሎም ብታሕጓስ ምስከዱ ጥረ ገንዘብ ስለዘየለ ክትግልገሉ ኣይትኽእሉን ምስተበሃሉ ብሓዘን ይምለሱ ኣለዉ” ክብል ነቲ ዘሎ ኵነታት ገሊጹ። ካብቲ ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ ዝኸፈትዎን ገንዘብ ዘጠራቐምሉን ሕሳቦም (ኣካውንት) እውን ገንዘብ ስለዘየለ ከውጽኡ ከምዘይክእሉ ከም ዝተነግሮም ኣረዲኡ። ብተመሳሳሊ ካልእ ካብታ ከተማ ዘዘራረብናዮ ነባሪ፡ “እቶም ሰራሕተኛታት ባንክ’ውን ክፈቱ ስለዝተበሃሉ ከምዝኸፈቱ እዮም ዝነግሩኻ። ከይደ ‘ገንዘብ የለን’ ኢሎም መሊሶምኒ። እንተዀነ ካብ ሰባት ብሓዋላ ዝለኣኸለይ ገንዘብ እንተሃልዩ፡ ዝተወሰነ መጠን ገንዘብ ማለት ካብ 2000 ክሳብ 3000 ብር ጥራይ ክህቡኒ ከምዝኽእሉ ግን ሓቢሮምኒ” ኢሉ። ንሱ’ውን ካብቲ ዝነበሮ ኣካውንት ገንዘብ ከውጽእ ከምዘይክእል በቶም ሰራሕተኛታት ባንክ ከምዝተነገሮ ይዛረብ። ብሰንኪ’ቲ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ኲናት፡ ኣገልግሎት ባንክን ካልኦት መሰረታዊ ኣገልግሎታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ ተሌፎንን ካልኦትን ከምዝተቛረጸ ይፍለጥ። ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ድማ፡ ገለ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ይምለሱ ምህላዎም ይግለጽ። ኣንበሳ ዝተባህለ ናይ ብሕቲ ባንክ እውን ኣብ ከተማ ሽረ ስርሑ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ’ሎ። ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ኣብ ቀረባ እዋን ምስቲ ሃገራዊ ማእከል ቍጽጽር ሓይሊ ኤለክትሪክ [ግሪድ] ብምትእስሳር፡ ንነዊሕ እዋን ኣብ ጸልማት ድሕሪ ምጽናሕ መብራህቲ ረኺባ ኣላ። ንኽልተ ዓመት ዝቐፀለ ዘስካሕክሕ ኲናት ነቲ ኣብ መንጐ ፈደራል መንግስቲን መራሕቲ ትግራይን ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ ስቅያት ህዝቢ ከብቅዕ እዩ ዝብል ተስፋ ተገይሩ’ሎ። እንተዀነ እቲ ስምምዕ ካብ ዝፍረም ልዕሊ ሽዱሽተ ሰሙን'ኳ እንተቝጸረ ወተሃደራት ኤርትራን መሻርኽቲ መንግስቲ ፈደራል ዝዀኑ ሓይልታት ኣምሓራን፡ ካብ ትግራይ ናይ ምስሓብ ዝንባለ ስለዘየርኣዩ ስክፍታታት ይረኣዩ። ሓይልታት ትግራይ እውን ዕጥቈም ኣይፈትሑን። ኣቦ መንበር ህወሓትን ፕረዚደንት ክልል ትግራይን ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ሓይልታቶም ካብ ኣርባዕተ ግንባራት ኲናት ከምዘንሳሓቡ ብምግላጽ ፌደራል መንግስቲ ግን ገለ ካብቲ ስምምዓት ሰላም ከተግብር ኣይከኣለን ክብል ይኸስስ። ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ መንግስቲ ነቲ ስምምዕ ብትግሃት ኣብ ግብሪ የውዕሎ ከምዘሎ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።","category":"ባንኪንግ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2v2p1wk5xo"} {"headline":"ስርዓት ክፍሊት ኢትዮጵያ ዘመናዊ ንምግባር ዝጽዕሩ መንእሰያት","content":"ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ንብዙሓት ፍጻመታት ካብ መሰረቱ ኣብ ዝቐየረሉ እዋን፡ ቁጠባዊ ፋይናንሳዊ ጽላት እታ ሃገር ዘመሓድርን ዝቈጻጸርን ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ሓድሽ መምርሒ ኣውጺኡ'ሎ። እዚ መምርሒ'ዚ፡ ባንክ ዘይኰኑ ትካላት ኣገልግሎት ዲጂታዊ ፋይናንስ ክህቡ ዘኽእል እዩ። እዚ ዝተረድኡ ናኤል ሃይለማርያምን እስራኤል ጐይቶኦምን ድማ ነቲ ዕድል ክጥቀሙሉ ጀሚሮም። ቻፓ ፋይናንሻል ቴክኖሎጂስ ኮ ሊሚትድ፡ ሓደ ካብቶም ኣብታ ሃገር ዘሎ ፋይናንሳዊ ስርዓት ንምምሕያሽ ፍቓድ ዝረኸቡ እዩ። ንፋይናንሳዊ ስርዓት ዘመናዊ ንምግባር ፋይናንሳዊ ቴክኖሎጂታት፡ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ፡ ብሎክቸይን፡ ክላውድ ኮምፒዩቲንን ዳታን ይጥቀም። መስረትቲ ቻፓ ዝዀኑ ናኤል ሃይለማርያምን እስራኤል ጐይቶኦምን ኣብ ሓደ ዩኒቨርስቲ ቻይና እናተመሃሩ እዮም ተራኺቦም። ናኤል ብዳታ ሳይንስን ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጅን ናይ ማስተርስ ዲግሪኡ ይሰርሕ ነይሩ፣ እስራኤል ድማ ፊዚክስ፡ ማይክሮኤሌክትሪካል ሳይንስን ምህንድስናን እናተመሃረን ኣብ ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ መጽናዕቲ የካይድን ነይሩ። ናኤል ብዛዕባ ዕላማ እቲ ትካሎም ክገልጽ ከሎ፡ \"ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ሰብ ሃብትን ንግድን ንምትብባዕን ምስ ዓለማዊ ቁጠባ ንምትእስሳርን እዩ\" ይብል። ቻፓ፡ ንግዳዊ ትካላት ብቐሊል ኣገባብ ብኢንተርነት መስርሕ ክፍሊት ክፍጽሙ ዘኽእል ስርዓት እዩ። ካብ ባንክታት ውሽጢ ዓዲ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ዝዀነ ዓለምለኸ መተሓላለፍቲ ገንዘብን ባንክታትን እውን ብኢንተርነት ክፍሊት ምሃብን ምቕባልን የኽእል። ናኤልን እስራኤልን ንትምህርትን ስራሕን ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣውሮፓ ተጓዒዞም እዮም። “ናብ ኢትዮጵያ ክንምለስ ከለና ዲጂታዊ ስርዓት ድኹም ምዃኑ ነስተብህል። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ሰባት ፈጠራ ስለ ዝጐድሎም ወይ ዲጂታዊ መድረኻት ስለ ዝጐድሎም ኣይኰነን። እቲ ጸገም ብኦንላይን ክፍሊት ዝገብሩሉ ስርዓት ስለዘየለ እዩ” ይብል። ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ሰባት ተሌፎኖም ወይ ካርድ ባንኮምተጠቒሞም ክፍሊት ክገብሩ ይመርጹ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ግን ክሳብ ሕጂ ሰባት ናይ ወረቐት ገንዘብ ወይ ሳናቲም ሒዞም እዮም ዝኸዱ። ሃገራዊ ባንክ ነዚ መምርሒ ቅድሚ ምውጽኡ፡ እስራኤል ብኸመይ ብኢንተርነት ክፍሊት ከም ዝገብር ይሓስብ ነይሩ። \"ሃገራዊ ባንክ ነቲ ፖሊሲ ክእውጅ ከሎ፡ ክልተና ኣብ ኢትዮጵያ ኢና ነይርና።\" ስለዝዀነ ድማ ናይ ነዊሕ እዋን ትልምና ንምዕዋት ነዚ ዕድል ተጠቒምና” ክብል ይገልጽ። ኣብ ኢትዮጵያ መንግስታዊ ይዅን ዘይመንግስታዊ ትካላት ፍርያቶምን ኣገልግሎቶምን ንዓማዊል ውሽጢ ሃገር ይዅን ወጻኢ ሸይጦም ብቐሊሉ ክፍሊት ይረኽቡ ኢልካ ኣይሕሰብን። ካብዚ ንላዕሊ ድማ እቲ ኣገልግሎት ብኢንተርነት ክትረኽቦ ኣጸጋሚ እዩ። እዚ ብቻፓ ፋይናንሻል ቴክኖሎጂስ ዝተዳለወ ስርዓት ነዚ ንምቅላል ዝዓለመ እዩ። ብኢንተርነት ዝግበር ክፍሊት ካብ ሃገር ወጻኢ ዝግበር ክፍሊት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝግበር ክፍሊት'ውን የጠቓልል። \"ንኣሽቱ ትካላት ንግዲ ብኢንተርነት ናብ ዓማዊል ውሽጢ ዓድን ዓለምን ንኽበጽሓ ክንሕግዘን ክኢልና ኢና\" ይብል ናኤል። “ኩባንያና ሞባይል ማኒ ወይ ፔይፓል ወይ ቴሌ ብር ኣይኰነን። ነቶም ዝነበሩ ስርዓታት ክፍሊት ብሓባር ኣተሓሒዝናዮም ኣለና’” ክብል ይውስኽ እስራኤል ብወገኑ። ሃገራዊ ባንክ ቅድሚ እዚ መምርሒ ምእዋጁ፡ ናኤል ኣገዳስነትን ዲጂታዊ ክፍሊት ከረድእ ማዕጾ ብዙሓት ትካላት መንግስቲ ኳሕኲሑ እዩ። ዋላ'ኳ 80 ገጻት ዝሓዘ መብርሂ ናብ ሃገራዊ ባንክ እንተ ኣቕረቡ፡ ጻዕሮም ግን ከምዘይተዓወተ ይዝክሩ። ደሓር ከምቲ ለበዳ ኮሮና ንዓለም ካብ ሱሩ ዝቐየረ፡ ኵነታት ጽላት ዲጂታዊ ፋይናንስ እታ ሃገር’ውን ብቕልጡፍ ተቐይሩ። “ሰበስልጣን መንግስቲ ቴክኖሎጂ ፈሊጦም፤ ቅድሚኡ ግን ብፍላይ ብመንጽር ፖሊሲ ጸገም ነይሩ።\" እዞም ክልተ መንእሰያት ዘጋጠሞም ብድሆታት ሰጊሮም ሕጂ 18 ሰራሕተኛታት ቈጺሮም ኣለዉ። ኣገልግሎቶም ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ቀጺሎም ድማ ናብ መላእ ኣፍሪቃ ከስፍሑ'ውን ይሓልሙ። \"ትልሚና ክሳብ 2025 ኢትዮጵያ ምስ ቍጠባ ዓለም ብምትእስሳር 100 ሽሕ ሰብ ሃብትን ትካላት ንግድን ንምሕጋዝ እዩ\" ክብል ናኤል ይዛረብ።","category":"ባንኪንግ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cld516x1erdo"} {"headline":"ኣየርላንድ: ክፍሊት ጡረታ ንምርካብ ‘ጥዑይ ብምምሳል ኣስከሬን ናብ ቤት ፖስታ ዝወሰዱ’ ሰባት ብፖሊስ ይድለዩ","content":"ኣብ ኣየርላንድ ክለተ ሰባት ንናይ ሓደ ዝሞተ ሰብ ናይ ክፍሊት ጡረታ ንምርካብ ነቲ ኣስከሬን ናብ ቤት ፖስታ ከምዝወሰዱ ዝገልጽ ሓበሬታ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ፖሊስ መርመራ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ። ብመሰረት ጸብጻብ ኣይሪሽ ታየምስ ክልተ ሰባት እቲ ምውት ብህይወት ከምዘሎ ብምምሳል ነቲ ኣስከሬኑ ኣብ ካርሎ ካውንቲ ናብ ዝርከብ ቤት ፖስታ እዮም ወሲዶምዎ። ሰራሕተኛታት እቲ ቤት ፖስታ ግና ብዛዕባ እቲ ኩነታት ሕቶ ምሰብዝሑሎም ነቲ ኣስከሬን ሓዲጎምዎ ሃዲሞም። ፖሊስ ኣየርላንድ ብዛዕባ ኣማውታ እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ሰብ ይምርምር ምህላው ሓቢሩ። ኣፈኛ ፖሊስ ዝርዝር ሓበሬታ ንምሃብ ፍቓደኛ እኳ እንተዘይኮነ፡ ዓርቢ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ኣብቲ ቤት ፖስታ ብዛዕባ ዝተፈጠረ ኩነታት ሓጺር መግለጺ እዩ ኣውጺኡ። ኣብቲ መግለጺ ካብ ቢሮ ቴክኒክ ፖሊስ ኣየርላንድን ካብ ቤትጽሕፈት ፓቶሎጂ እታ ግዝኣትን ሓገዝ ሓቲቱ ምህላው ሓቢሩ። “ውጽኢት እቲ መርመራ እንታይ ክንገብር ከምዘሎና ከርእየና እዩ” ኢሉ። እቶም ነቲ ኣስከሬን “ደሓን ከምዘሎ ብምምሳል” ናብቲ ቤት ፖስታ ዝኸዱ ሰባት ብሰራሕተኛ እቲ ትካል ሕቶ ምስ በዝሖም፡ ደርብዮምዎ እዮም ሃዲሞም። ሰራሕተኛታት እቲ ቤት ፖስታ ነቲ ዝወደቐ ሰብ ቅርብ ኢሎም ምስረኣይዎ፡ ብዕድመ ናይ ዝደፍአ ሰብ ኣስከሬን ምዃኑ ተረዲኦም። እቲ ኣስከሬን ናብቲ ቤት ፖስታ ቅድሚ ምምጽኡ፡ ሓደ ሰብ ናብቲ ትካል ደዊሉ “ኣብ ክንዲ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ ጡረታ ክወስድ ከምዝደሊ” ነጊሩ ምንባሩ ማእከን ዜና ኣርቲኢ ጸብጺቡ። እንተኾነ ግና እቲ በዓል ጡረታ ብኣካል እንተዘይቀሪቡ እቲ ገንዘብ ክወሃቦ ከምዘይክእል እዩ ተነጊርዎ። ሽዑ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት እዮም ክልተ ሰባት ንሓደ 60 ዓመት ዝዕድሚኡ ኣብቲ ቤት ፖስታ “ዝወደቐ” ሰብ ሒዞም መጺኦም። እቲ ሰብኣይ ናብቲ ቤት ፖስታ ቅድሚ ምምጽኡ ሞይቱ እንተነይሩ ንምርግጋጽ መርመራ ይካየድ ምህላው ማእከን ዜና ኣርቲኢ ሓቢሩ።","category":"ባንኪንግ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60095395"} {"headline":"ኣብ ፓኪስታን ኣብ ውሽጢ ባንኪ ብዘጋጠመ ሓደጋ ነትጒ ጋዝ 14 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ደቡባዊ ክፋል ፓኪስታን ኣብ እርትርከብ ከተማ ካራቺ ኣብ ውሽጢ ሓደ ባንኪ ብዘጋጠመ ነትጒ ጋዝ ብውሑድ 14 ሰባት ከምዝሞቱ ተፈሊጡ። እቲ ሓደጋ ካብ መተሓላለፊ ቱቦ ኣምሊጡ ብዝወጽአ ጋዝ ምኽንያት ከምዝተበገሰ ይግመት። ብዘይካ'ቶም ዝሞቱ ድማ፡ ካልኦት ብዙሓት ሰባት'ውን ጉድኣት ከምዝብጸሖም ተሓቢሩ። መሰኻኽር ዓይኒ ንመራኸቢ ብዙሓን ፓኪስታን ከምዝበልዎ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ውሽጢ ዝፈራረሰ ህንጻ እዮም ዝርከቡ። በዚ ምኽንያት ድማ፡ ብዝሒ በቲ ሓደጋ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ ካብቲ ዝተጠቕሰ ክኸውን ከምዝኽእል ስግኣት ኣሎ። ካብቲ ሓደጋ ምንቷግ ጋዝ ዝበጽሐሉ ቦታ ዝወጽኡ ምስልታት ከምዘርእዩዎ፡ እቲ ባንኪ ዝርከበሉ ህንጻ መስኮታቱን መዕጾታቱን ዝፈራረሰን ዝተገነጻጸለን ኮይኑ፤ ሰነዳት እቲ ባንኪ ድማ ኣብ መንገድታት ተበታቲኖምን ይረአዩ ነይሮም። ከምኡ'ውን ብደገ ኣብ ጥቓ እቲ ህንጻ ዝነበሩ ተሽከርከርት ጉድኣት በጺሕዎም ተባሂሉ። ሓለፍቲ ፖሊስ እቲ ከበቢ፡ \"እቲ ነትጒ ብኸመይ ክለዓል ከምዝኸአለ ሰብ ሞያ እናመርመርዎ እዮም። እንተኾነ፡ ትሕቲ ህንጻ ኣብ ዝተስርሐሉ ከባቢ ኣብ ዘሎ ፈሳሲ መተሓላለፊ መስመር ብዘጋጠመ ነትጒ ጋዝ ዝተበገሰ ክኸውን ከምዝኽእል ምግማት ይከኣል\" ክብሉ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቦም። እቲ ሓደጋ ዘጋጠሞ ሓቢብ ዝተብሃለ ባንኪ ብትዊተሩ ኣቢሉ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ \"ቀዳም ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ሓደ ጨንፈር ባንክና ናይ ምንቷግ ሓደጋ ኣጋጢሙና\" ክብል ኣስፊሩ። በቲ ሓደጋ ጉድኣት ንዝበጽሖም ስድራ ግዳኣት ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን'ውን ገሊጹ።","category":"ባንኪንግ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59717661"} {"headline":"ቻይና ‘ክሪፕቶከረንሲ’ ዘይሕጋዊ’ዩ ኢላቶ","content":"ማእኸላይ ባንኪ ቻይና ንቢትኮይን ሓዊስካ ዝኾነ ይኹን ብክሪፕቶከረንሲ ዝካየድ ዋጋ ዕዳጋ ዘይሕጋዊ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ። \"ቨርቹዋል ባጤራ ተጠቒምካ ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ዕድጊት ዘይሕጋዊ ፋይናንሳዊ ምንቅስቓስ'ዩ\" ክብል ህዝባዊ ባንኪ ቻይና ትማሊ ዓርቢ ኣፍሊጡ። \"እዚ መስርሕ ውሕስነት ንብረት ህዝቢ ናብ ሓደጋ ዘእተወ'ዩ\" ክብል'ውን ኣጠንቀቑ'ሎ። ቻይና ካብ ዓለም ካብተን ቀንዲ ዕዳጋ ክሪፕቶከረንሲ [ዲጂታላዊ ባጤራ] ከምዝኾነት'ዩ ዝንገር። ናይ ክሪፕቶከረንሲ ዕዳጋ ብሰንኪ ውሳነታት ጸለውቲ ውልቀ ሰባትን መንግስታትን ዋጋኡ ክወርድን ክድይብን ይርአ። ድሕሪ እቲ ቻይና ትማሊ ዝወሰነቶ ውሳነ ስዒቡ ዋጋ ሓደ ቢትኮይን [ሓደ ካብ ዓይነታት ዲጂታላዊ ባጤራ] ዋግኤ ብ 2 ሽሕ ዶላር ከምዝነከየ ክፍለት ተኻኢሉ። ቻይና ኣብ 2019 ክሪፕቶከረንሲ ኣብ ግብሪ ከይውዕል ኣጊዳ'ኳ እንተነበረት እንተኾነ እቲ ዕድጊ ብናይ ሸርፊ ወጻእ ክካየድ ጸኒሑ'ሎ። መንግስቲ ቻይና ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ክወስድ ተራእዩ። ካብኣቶም ሓደ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት መንግስታውያን ትካላት ብክሪፕቶከረንሲ ንዝካየዱ ዕደጋታት ውሕስና ከምዘይህቡ ኣፍሊጦም ነይሮም። ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ባንክታት ኮነ ካልኦት መሳለጥያታት ክፍሊት ብናይ ክሪፕቶከረንሲ ዝካየዱ ናይ ገንዘብ ልውውጥ ደው ከብሉ መንግስቲ መምርሒ ኣውሪዱ ከም ዝነበረ ዝፍለጥ ኮይኑ ነቲ ከረንሲ ናይ ምፍራይ ተግባራት ምእጋድ ድማ እቲ ካልእ ዝተወሰደ ስጉምቲ'ዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ትማሊ ካብ ማእኸላይ ባንኪ ቻይና ዝተውሃበ መግለጺ፡ እታ ሃገር ብክሪፕቶከረንሲ ዝካየድ ዕድጊ ምሉእ ብምሉእ ክተቋርጾ ከምዝወሰነት ዘመላኽት'ዩ። ብመሰረት እቲ ዝተውሃበ መግለጺ ኣብ ክሪፕቶከረንሲ ዝሳተፍ ሰብ ብገበን ክሕተት'ዩ። ነዚ ኣገልግሎት ዘካይዱ ናይ ወጻኢ ትካላት ኢንተርኔት'ውን እንተኾነ ዘይሕወዊ ንጥፈት ከምዝኾነ ተገሊጹ'ሎ።","category":"መኻዝን ዕዳጋ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58689873"} {"headline":"ኣመሪካ፡ ሓገግቲ ኣካላት ንምምሕያሽ ትሕተ ቕርጺ ዝውዕል 1 ትሪልዮን ዶላር ሰሊዖም","content":"ሓገግቲ ኣካላት ኣመሪካ፡ ንምምሕያሽ ትሕተ ቕርጺ ኣመሪካ ዝውዕል ሓደ ትሪልዮን ዶላር ሰሊዖም፡ በዚ መሰረት ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ትሕተ ቕርጺ ኣብ ሓደ እዋን ዝበዝሐ ገንዘብ ዝተሰለዓሉ መራሒ ክኸውን እዩ። እቲ ብ228 ደገፍን 206 ተቃውሞን ዝጸደቐ ሰልዲ ኣብ ሞንጎ ኣባላት ዲሞክራትስ ምግምማዕ ፈጢሩ ኣሎ። እዚ ብሓገግቲ ኣካላት ተሰሊዑ ዘሎ 1 ትሪልዮን ዶላር፡ ብላዕለዋይ ባይቶ ጸዲቑ ፌርማ ናይ ጆ ባይደን ጥራይ እዩ ተሪፍዎ ዘሎ። ካብዚ ሓደ ትሪልዮን ዶላር እቲ 550 ቢልዮን ዶላር ጽርግያ፡ መንገዲ ባቡራት፡ ንዓበይቲ ከተማታት ዘራኽብ ገፋሕቲ ጽርግያታትን ተመሳሳልቲ ነገራትን ኣብ ምምሕያሽ ክውዕል እዩ ውጥን ወጺእዎ ዘሎ። ገለ ክፋል እቲ ሓደ ትሪልዮን ዶላር ኸኣ፡ ኣብ ምስፋሕ ተተካኢ ጽዓት፡ ኣብ ምፍረይ ጽሩይ ማይን ኣብ ምስፍሕፋሕ ቅልጡፍ ኢንተርኔትን ክውዕል እዩ። ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ 19 ኣባላት ሪፓብሊካን ምስ ኣባላት ዲሞክራትስ ብምጽንባር ነዚ እማመ ምስ ኣቐረብዎ ኣብ ሞንጎ ኣባላት ምግምማዕ ተራእዩ ነይሩ። ብዓርቢ ኣብ ዝነበረ ምውሃብ ድምጺ’ውን 13 ኣባላት ሪፓብሊካን ነቲ መደብ ዘለዎም ደገፍ ብምግላጾም እቲ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝተነድፈ ሓሳብ፡ ናብ ተግባር ንኽሰግር ፌርማ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ጥራይ ተሪፍዎ ኣሎ። ካብ ሚኒሶታ ኢልሃም ዑመርን ካብ ኒው ዮርክ ኣሌክሳንድራ ኮርተዝን ዝርከብኦም ሽዱሽተ ካብ ኣባላት ዲሞክራትስ ነቲ ሓሳብ ዘለዎም ተቃውሞ ብምግላጽ ኣንጻር እቲ ንድፊ ድምጾም ሂቦም።","category":"መኻዝን ዕዳጋ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59188540"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ‘ሂውማን ሄር’ ክሳብ ዊስኪ ከይኣቱ ዝኸልከለሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ?","content":"ኣብ መፋርቕ እቲ ዝሓለፈ ወርሒ ኢትዮጵያ 38 ዓይነት ቀዳምነት ዘይወሃቦም ዝተባሃሉ ኣቑሑት ናብታ ሃገር ከይኣትዉ ኣጊዳ። እዚ፡ ኣብታ ሃገር ንዝረአ ዘሎ ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ [ዶላር] ንምግታእ ዝተወስደ ስጉምቲ ምዃኑ ክግለጽ እንከሎ፡ መንግስቲ ነቶም ነጋዶ፡ ነዞም ፍርያት ናብ ሃገር ንምእታው ዘኽእሎም 'ኤልሲ' [ሌተር ኦፍ ክሬዲት] ንከይወሃቦም መምርሒ ኣውጺኡ’ዩ። 'ቀዳምነት ዘይወሃቦም' ወይ ናይ ሕንቃቐ [ሌግዠሪ] ካብ ሞንጐ ዝተባህሉ፡ መካይን፡ መግቢ፡ ኣቑሑት ገዛ፡ መመላኽዒታትን ኣልኮላዊ መስተታትን ይርከቡዎም። እዚኦም፡ ብውልቂ ዝኣትው ተሽከርከርቲ፣ በዓል ሰለስተ እግሪ ተሽከርከርቲ፣ ብኤሌክትሪክ ዘይሰርሓ ሞተር ሳይክልን ካብ ሞንጐ እቶም ዝተኸልከሉ ምህርታት እዮም። ካብዚ ሓሊፉ፡ ከም ከረሜላን ማስቲካን ዝበሉ ጣዕሚ ዘለዎም መግቢታት፣ ናይ ህጻናት ጸባ ሓርጭ (ፎርሙላ ጸባ) ሽጋራ፣ ኣልኮላዊ መስተታት ብመሰረት እዚ ሓድሽ መምርሒ ንዘይተወሰነ ግዜ ናብታ ሃገር ክኣትው ኣይፍቀደሎምን። ሚኒስትሪ ፋይናንስ ናብ ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ነዞም ኣቑሑት ናብ ውሽጢ ዓዲ ዘእትው ነጋዶ ፍቓድ ክወሃቦም የብሉን ይብል። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ውሳነ ዝደረዀ ምኽንያት ድማ እኹል ሸርፊ ወጻኢ ስለ ዘይብሉን ኣገደስቲ ዝብሃሉ ከም መድሓኒት፣ ሕርሻዊ ጥረ ኣቕሑትን እታወታትን ንምምጻእ እኹል ሸርፊ ወጻኢ ንክህልዎ ምዃኑ ይገልጽ። እዞም ኣቑሑት ብብዝሒ ካብ ወጻኢ ዘእትዉ ኣምጻእቲ፡ እቲ መምርሒ ክለዓል ብመንገዲ ቻምበር ኦፍ ኮሜርስ ‘ይግባይ’ ይብሉ ምህላዎም ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት። እዚ ሕጊ ቅድሚ ምውጽኡ፡ ‘ኤልሲ’ ዝተኸፈትሎም ኣቑሑ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትው እቲ መምርሒ የፍቅድ ነይሩ። ንምዃኑ ኤልሲ እንታይ እዩ? መንግስቲ ነዚ መምርሒ ብምውጻእ ክንደይ ዝኣክል ሸርፊ ወጻኢ የትርፍ? ጥርዓን እቶም ኣምጻእቲ ከ ኣበይ በጽሐ? ካብ ወጻኢ ክኣትው የብሎምን ተባሂሎም መንግስቲ ካብ ሞንጐ ዝኣገዶም ምህርታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት መዘራረቢ ካብ ዝነበሩ ሓደ ዝተመስርሐ ጸጉሪ’ዩ። ካብ ቀረባ እዋን ንንዘ ዋግኡ እናኸበረ ዝመጽአን መዐቀኒ ጁባ ዝኸውን ዘሎን ‘ሂውማን ሄር’፡ ካብ ባንክ ብዝወጽእ ኤልሲ ናብ ውሽጢ ዓዲ ንከይኣቱ መምርሒ ወጺኡዎ ኣሎ። ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ካብ ዱባይ ናብ ኢትዮጵያ ሰብ ሰርሖ ጸጉሪ ዝልእኽ ነጋዳይ፡ ቅድሚ ሕጂ እዚ ምህርቲ ብሕጋዊ መገዲ ይኣቱ ከም ዝነበረ ይጠቅስ። ኣምጻእቲ “ዝኸፍሉዎ ቐረጽን ኣብ ዕዳጋ ዝሽየጠሉ ዋጋን ክነጻጸር እንከሎ፡ ስለዘይመጣጠን መብዛሕትኡ ነጋዳይ ካብ ቀረጽ ወራጺ እዩ ዘእትዎ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ወሲኹ፡ “እቲ ዝኽፈል ቀረጽ ድማ ኣዝዩ ክቡር ስለ ዝዀነ፡ ኩሉ ነጋዳይ ብናይ ተጉዓዝቲ ሻንጣ እዩ ዘእትዎ። እዚ ሕጂ’ውን ዘሎ ኰይኑ፡ ካብቲ ቅድም ኢሉ ዝነበረ ግን ምንካይ ኣርእዩ ኣሎ። ብሓፈሻ ግን ብሕጋዊ መገዲ ዝኣቱ ሂውማን ሄር የለን” ኢሉ። እዚ ምንጪ ቢቢሲ፡ ሕጂ ኣብ መብዛሕትኡ ዕዳጋ ኢትዮጵያ ዘሎ ብኮንትሮባንድ ዝኣቱ ‘ሲንቴቲክ’ ጸጉሪ ስለ ዝዀነ ነዚ ንምቁጽጻር ብዝብል ዝወጽአ መምርሒ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግምት። ይኹን’ምበር፡ ነቲ ሓድሽ መምርሒ ስዒቡ ዋጋ ሰብ ሰርሖ ጸጉሪ ብዕጽፊ ንክውስኽ፣ ናይ ቀረብ ጸገማት ክፍጠርን ነጋዶ ኣብ ጸቕጢ ክጥሕሉን ምኽንያት ከም ዝዀነ ይዛረብ። “ንዓይ ጽልዋ ኣሕዲሩለይ’ዩ፤ ሕጂ ምሉእ ብሙሉእ ናብ ኢትዮጵያ ምልኣኽ ጠጠው ኣቢለ’የ። ቀረጽ ወሲክኻ ምእታው ፍትሓዊ ኣይኰነን። ቅድሚ ሕጂ 400 ግራም ጸጉሪ 120 ዶላር ይክፈሎ ነይሩ፤ ሕጂ ግን ሓሙሽተ\/ ሽዱሽተ [ዕሹግ] ጸጉሪ ሒዙ ዝኸደ ሰብ ሰለስተ ዕጽፊ [360 ዶላር] ቀረጽ ይኸፍል። ስለዚ ኣየዋጽእን” ይብል። ነዚ ሓድሽ መምርሒ ስዒቡ፡ ዋጋ ‘ሂውማን ሄር’ ብማእኸላይ 15 ሽሕ ብር ወሰኽ ከም ዘርኣየ ነጋዶ ይዛረቡ። በዚ መሰረት ቅድሚ ሕጂ 18 ሽሕ ብር ዝነበረ ጸጉሪ ሕጂ ኣስታት 29 ሽሕ ብር ይሽየጥ ኣሎ። ‘ሂውማን ሄር’ ጥራይ ዘይኰነ፡ ቸኮሌት፣ ሽጋራ፣ ዕሹጋት ጽሟቕ፣ ማይን ልስሉስ መስተን፣ ዝተጠበሰ ድንሽ፣ ኣልኮላዊ መስተታት ከምኡ’ውን መመላኽዕቲ [መክኣፕ] ዝኣመሰሉ ኣቑሑ ካብ ሞንጐ ዝተኸልከሉ ዝርዝር 30 ኣቑሑ እዮም። ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ [ኣይኤምኤፍ] ኢትዮጵያ ኣብ 2023 ዝህልዋ ዓቕሚ ሸርፊ ወጻኢ ኣገደስቲ ንዝብሃሉ ከም ነዳዲ፡ ድኹዕን መድሃኒትን ዝበሉ ቀረባት ንምዕዳግ ጥራይ ዝኸውን እዩ ዝብል ግምት ኣለዎ። ባንክ ንግዲ ኢትዮጵያ፡ ነጋዶ ናብ ውሽጢ ዓዲ ከየእትውዎም ካብ ዝኸልከሎም ኣቑሑ ኣብ ዓመት 100 ሚሊዮን ዶላር ንከትርፍ ትጽቢት ይገብር። ኣገልግሎት ሕርሻ ወጻኢ ኣሜሪካ ከም ዝብሎ ኣብ 2021 ኢትዮጵያ፡ 18 ቢሊዮን ዶላር ወጻኢ ብምግባር ካብ ወጻኢ ኣቑሑ ኣእቲያ እያ። በዚ ምኽንያት ኣብ ሞንጐ ኣታውን ወጻእን ንግዲ [ኢምፖርት-ኤክስፖርት] ዘሎ ፍልልይ እናሰፍሐ መጺኡ’ዩ። ክኢላ ስነ ቁጠባ ኢንተርናሽናል ግሮውዝ ሰንተር ዝተባህለ ትካል ቁጠባ፡ ቴድሮስ መኮንን እዚ ሕጊ ዝወጽኣሉ ምኽንያት ዕዳጋ ሸርፊ ወጻኢ ኣብ ሓደጋ ስለ ዝወደቐ’ዩ ይብል። \"ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ወይ ሰለስተ ዓመታት” ‘ባላንስ ኦፍ ፔይመንት’ [ሚዛን ክፍሊት] ኢትዮጵያ ተናጊዑ’ዩ። ለበዳ ኮሮናቫይረስን ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያን ከም ምኽንያት ክልዓሉ ይኽእሉ’ዮም። \"ብተወሳኺ፡ ናብ ውሽጢ ዓዲ ዝመጽኡ በጻሕቲ ዓዲ፣ ናብ ወጻኢ እንልእዀም ኣቑሑ ከምኡ’ውን ካብ ወጻኢ ዝልኣኽ ገንዘብ [ሬሚታንስ] ምንካይ ኣርእዩ ኔሩ።\" እቲ ክኢላ ስነ ቑጠባ ከም ዝብሎ፡ እቲ ኲናት፡ ኣብ ልዕሊ ‘ካፒታል ኣካውንት’ ተባሂሎም ዝጽውዑ ረድኤት፣ ልቓሕን ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ወጻእን ኣሉታዊ ጽልዋ ኣብጺሑ’ዩ። “ብጠቕላላ ኣታዊ ሸርፊ ወጻኢ ኢትዮጵያ ተጸልዩ’ዩ”። እቲ መምርሒ ብቐንዱ፡ ኣብ ባንክን ጸሊም ዕዳጋን ዘሎ ኣፈላላይ ዋጋ ዶላር ንምጽባብ ብዝብል ዝወጽአ ምዃኑ ኣቶ ቴድሮስ ይዛረብ። ብተወሳኺ፡ ነዞም ኣገደስቲ ዘይዀኑ ኣቑሑ ዝወጽእ ወጻኢ፡ ብፍላይ ድማ ገሊኦም ኣቑሑ ናብ ውሽጢ ዓዲ ክኣትው እንከለው በቲ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዘሎ ሸርፊ ወጻኢ ስለ ዝዀነ፡ እዚ ንምንካይ ዝተገብረ ምዃኑ የረድእ። እቲ ምኽልካል ‘ሌተር ኦፍ ክሬዲት’ ብመጽናዕቲ ከም ዝተደገፈ ዝገልጽ ብሄራዊ ባንከ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እዞም 38 ኣቑሑ ዝተነብረ እገዳ ኤልሲ ብወግዒ ንዘይተፈልጠ እዋን ከም ዝጸንሕ ይጠቅስ። እዞም ምህርታት፡ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ንክበራኸት ምኽንያት ምዃኖም’ውን ተገሊጹ ኣሎ። ኤልሲ (LC)፡ ‘ሌተር ኦፍ ክሬዲት’ ማለት እዩ። እዚ፡ ዓለምለኻዊ ንግዲ ብቐሊሉ ንምስላጥ ዘእኽእል መገዲ ምዃኑ ክኢላ ስነ ቑጠባ ቴድሮስ መኮንን ይጠቅስ። እዚ ማለት፡ ካብ ወጻኢ ኣቕሓ ዝሸይጥን ኣቕሓ ዝገዝእን ሰብ፡ ባንክንታት ንሓድሕዶም ዝሰማምዑሉ፣ እቲ ኣቕሓ ከም ዝተላእኸን ኣብ ቦታኡ ከም ዝበጽሐን ዘረጋግጽሉ መገዲ ከም ዝዀነ የረድእ። “ሓደ ሰብ፡ ዝዀነ ኣቕሓ ካብ ወጻኢ ከምጽእ እንተደልዩ ናብ ባንክ ከይዱ፡ ‘እዚ ኣቕሓ ንምዕዳግ ሸርፊ ወጻኢ ይደሊ’የ’ ይብል እሞ፡ ነዚ ዘምጽኣሉ ፍቓድ [ኢምፖርት ፐርሚት] ምስ ተዋህቦ ኤልሲ ይኸፍት”። ኤልሲ፡ ኣቕሓ ካብ ወጻኢ ንምእታው ዘኽእል ቀንዲ መገዲ ከም ዝዀነን ካልኦት መገዲታት [ንኣብነት ቲቲ ዝተባህለ ቅጥዒ] ከም ዘለውን እቲ ሙሁር ይዛረብ። ሕጂ፡ መንግስቲ ዘውጽኦ መምርሒ ነዞም ኣቑሑ ኤልሲ ከይኽፈት ይእዝዝ። ስለዚ፡ እዞም ኣቑሑ ብባንክ ምምጻእ ኣይክኣልን ማለት እዩ። “ሓደ ዓብዪ ሚስማር ንክትሃርም፡ ንዕኡ ዝምጥን ማርቴሎ ምጥቃም ኣድላዪ’ዩ” ብምባል፡ እታ ሃገር ዘጋጠማ ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ዓብዪ ጸገም ኰይኑ እናሃለወ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ስጉምቲ ምውሳድ መፍትሒ ክኸውን ከም ዘይኽእል ኣብ ትካል ምርምር ሳይንስ ኩዌት ተመራማሪ ስነ ቑጠባ ዶክተር ኣየለ ገላን ይገልጽ። ንሱ፡ እዞም ምህርታት፡ ካብ ወጻኢ ከይኣትው ሸርፊ ወጻኢ ምኽልካል ወይ ‘ሌተር ኦፍ ክሬዲት’ ከይወሃቦም ምእጋድ፡ ነቲ ዘሎ ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ንምፍታሕ ዝሕግዝ ስጉምቲ’ዩ ኢሉ ኣይኣምንን። “እቲ ክኸውን ዝግብኦን ንሃገር ዝጠቅምን ስለ ዘጠፍኦም ኣይኰነን፤ ግን ኣብዚ ውሽጢ ኢድ መንግስቲ ኣሲሮም ድላዮም ዝገብሩ ብዙሓት ኣለው’ዮም። ስለዚ ካብ መሰረቱ እንተተንኪፉ፡ እቶም ዓበይቲ [ጥቕሞም] ክትንከፍ’ዩ” ይብል። ኣቶ ቴድሮስ ብወገኑ፡ ብቐንዱ እቲ ኣብ ሞንጐ ጸሊም ዕዳጋን ባንክን ዘሎ ፍልልይ ዋጋ ሸርፊ ወጻኢ ንምጽባብ ካብ ሞንጐ ዘለው መፍትሕታት እቲ ሓደ ጥቡቕ ቑጽጽር ምግባር ከም ዝዀነ ይዛረብ። እቲ ቀንዲ መፍትሒ ግን፡ ሸርፊ ወጻኢ ብትኽክለኛ መገዲ ክስራሕ ዝገብሩ ፖሊሲታት ክቕረጹ ምግባር እዩ፡ ዝብል ኣቶ ቴድሮስ፡ ጽኑዕ ቁጽጽር ምግባር ዘላቒ ለውጢ ከም ዘየምጽእ ይሕብር። “ንኣብነት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለው ሹቓት ጸሊም ዕዳጋ ምዕጻው፡ ንዝተወሰነ እዋን ዋጋ እቲ ዶላር ክወርድን ምስ [ባንክ] ዝጸጋጋዕ ክኸውንን ይገብር እዩ። ጸኒሑ ግን እቲ ቑጽጽር ክልሕልሕ እንከሎ መሊሱ ሓፍ ይብል” ኢሉ። ዋጋ እቶም ሕጂ ዝተኸልከሉ ምህርታት ኣብዚ እቶ ዝብሃል ኣይኰነን ብምባል ዝካታዕ ዶክተር ኣየለ ብወገኑ፡ ልዕሊ እቲ ዝተፈቕደሎም ሸርፊ ወጻኢ ዝሓቱ ምህርታት ናብ ውሽጢ ዓዲ ክኣትው እንከለው መንግስቲ ስጉምቲ ብዘይምውሳዱ ኢትዮጵያ ክትረኽቦ ዝግባእ ሸርፊ ወጻኢ ከም ዝስኣነት ይዛረብ። እቲ ጸገም፡ “ካብ ምንጩ ክደርቕ እንከሎ’ዩ ዝፍታሕ” ዝብል እቲ ሙሁር፡ እዚ ከይትንከፍ ዝተደለየሉ ምኽንያት ግን “ኣብዚ ውሽጢ ነጋዶ ጥራይ ዘይኰኑ ዶላር ኣኪቦም ኣብ ወጻኢ ክተርፍ ዝሰርሑ ፖለቲከኛታት’ውን ስለ ዘለው’ዩ” ክብል ይነቅፍ። እቶም ዝንቀፉ ኣካላት በቶም ዝውሰዱ ስጉምታት ዘይትንከፍሉ ምኽንያት ድማ፡ “ሓደ ምስ ነጋዶ ናይ ረብሓ ምትእስሳር ስለ ዘለዎም ኰይኑ፡ ካልኣይ ድማ ጸሊም ዕዳጋ ናይ ምጥፋእ ድልየት ስለ ዘይብሎም’ዩ” ክብል ዶክተር ኣየረ ይገልጽ። እቶም ሰብ ሞያ ግን፡ እቲ ሓድሽ መምርሒ ዘላቒ ክኸውን ድዩ ኣብ ዝብል ዓብዪ ሕቶ የልዕሉ። ኣየለ ገላን፡ ካልእ ዝሓሸ ናይ ሓጺር ጊዜ ኣማራጺ ዝብሎ፡ ‘ዱዋል ኤክስቼንጅ ሬት’ [በዓል ክልተ ተመን ሸርፊ] እዩ። እዚ እንታይ ማለት እዩ? ከምቲ ንሱ ዝገልጾ፡ ‘ዱዋል ኤክስቼንጅ ሬት’ ማለት መንግስቲ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ልክዕ ከምቲ ነጋዳይ ብምስታፍ ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ንምንካይ ጻዕሪ ዝገብረሉ መገዲ እዩ። “እቲ ነጋዳይ ኣብ ሃገራት ወጻኢ ብድፍረት ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዝሳተፈሉ ምኽንያት ስለ ዘዋጽኦ [ስለ ዝኸስበሉ] እዩ” ዝብል ዶክተር ኣየለ፡ “መንግስቲ’ውን ከምቲ ነጋዳይ ዘይዀነሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ?” ብምባል ኣገዳሲ ስጉምቲ ከም ዝዀነ ይገልጽ። ነዚ፡ ተሞክሮ ኬንያ ከም ኣብነት ዘልዕል እቲ ተመራማሪ ዝዀነ ሰብ ናብ ኬንያ ክኣቱ እንከሎ ክንዲ’ቲ ዝደልዮ መጠን ዶላር ክዕድግ ከም ዝኽእል ይጠቅስ። “መንግስቲ ልዕሊ ነጋዳይ ገንዘብ ኣለዎ። ነጋዳይ ናብ ዝተፈላላያ ሃገራት እናዞረ ዝኣከቦን ኣብ ደገ ዘትርፎን ዶላር፡ መንግስቲ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ብምስታፍ ናብ ውሽጢ ዓዲ ክኣቱ ክገብር ይኽእል” እዩ ብምባል መፍትሒ ሓሳብ ዝብሎ የቕርብ። ኣቶ ቴድሮስ መኮንን ድማ፡ እቲ ሓድሽ መምርሒ ብዘይሕጋዊ መገዲ ምህርታት ዘእትው ሰባት ዚያዳ ከስቢ ክረኽቡ ክገብር ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎ። “እዞም ምህርታት ብኮንትሮባንድ ክኣትው ይኽእሉ’ዮም። ቁጽጽር ክግበር እንከሎ ክኣ፡ ሙሉእ ንሙሉእ ንምፍጻም ዓቕሚ ስለ ዘይህሉ ክፍተታት ይፍጠሩ። ውሑዳት ሰባት ድማ ነዞም ክፍተታት ተጠቒሞም ብዙሕ ይኸስቡ” ይብል። በዚ ምኽንያት፡ እቲ መምርሒ ዘላቒ ፍታሕ ኣብ ምምጻእ ሓጋዚ ተራ ክህልዎ ከም ዘይኽእል ዝገልጽ እቲ ሙሁር፤ ብቐንዱ ሚዛን ኣታውን ወጻእን ክመጣጠን ከም ዘለዎ ሓቢሩ። “መንግስቲ ንርእሱ፡ ተጠቃሚ ሸርፊ ወጻኢ’ዩ። ብዙሓት ፕሮጀክታት ኣለዎ። ኣብዞም ፕሮጀክታት ክኣ ሰፊሕ ብኽነት’ዩ ዝርኣይ። መብዛሕትኡ ሰብ ኣብ ክንዲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘፍሪ ካብ ደገ ኣብ ምምጻእ እዩ ተዋፊሩ ዘሎ። ካብዚ ወጺእና ናብ ምፍራይ እንኣትወሉ መገዲ ክህሉ ኣለዎ።”","category":"መኻዝን ዕዳጋ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crg3yxm7p2zo"} {"headline":"ቻይና፡ ንድኻ ሃገራት ትህቦ ልቓሕ ‘ከም መጻወድያ’ ድያ ትጥቀመሉ?","content":"ቻይና ንድኻ ሃገራት ተለቕሕ እያ ብምባል ብዙሕ ነቀፌታ'ዩ ዝበጽሓ፤ እቲ ምኽንያት ኸኣ እተን ድኻታት ሃገራት ነቲ ልቓሕ ክመልሰኦ ስለዘይክእላ ናይ ቻይና ምእዙዛትን መጋበርያን ቻይና ይኾና ኣለዋ ዝብል እዩ። እንተኾነ ቻይና፡ ነዚ ዘረባ ምዕራባውያን ሃገራት ምስሊ ቻይና ንምድዋን ኮነ ኢለን ዝፍብርኸኦ ዘለዋ ዘረባ እዩ ብምባል ትነጽጎ'ያ። ቻይና \"ካብ ዘለቓሕናየን ሃገራት ብሰንኪ ዕዳ [ብቻይና ትእወዶ] ኣብ መጻወድያ ዝኣተወት የላን\" ትብል። ብዛዕባ ቻይና እትህቦ ልቓሕ እንታይ ንፈልጦ ነገር ኣሎ? ቻይና ሓንቲ ካብተን ዝበዝሐ ልቓሕ ዝህባ ውልቀ ሃገራት እያ። ማእከላይን ትሑትን ኣታዊ ንዘለወን ሃገራት ትህቦ ልቓሕ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ብሰለስተ ዕጽፊ'ዩ ዛይዱ፡ ኣብ መወዳእታ 2020 ቻይና ዝሃበቶ ልቓሕ ናብ 170 ቢልዮን ዶላር ክብ ክብል ክኢሉ። እንተኾነ እቲ ቻይና እትህቦ ካብዚ ተገሊጹ ዘሎ ንላዕሊ ክኸውን ከምዝኽእል'ውን ግምታት ኣሎ። ኣብ ኣመሪካ ዩኒቨርስቲ ዊልያም ኤንድ ሜሪ፡ ብ'አይድዳታ' ብዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ሃገራት ነቲ ካብ ቻይና ዝረኽበኦ ልቓሕ ብወግዒ ስለዘይሕበር እቲ ቁጽሪ ካብዚ ዝተገለጸ ክዛይድ ከምዝኽል'ዩ ዝድምድም። እቲ መጽናዕቲ፡ እቲ ካብ ቻይና ዝውሃብ ልቓሕ ክንዲ ካብ መንግስቲ ናብ መንግስቲ ዝኸውን ካብ መንግስቲ ቻይና ናብ ብመንግስቲ ዝውነና ትካላት፡ ባንክታት፡ ውልቃውያን ትካላት ስለዝውሃብ ስታስቲካዊ ጸብጻቡ ምርካብ ኣጸጋሚ ካብ ዝግበሮ ነገራት ምዃኑ ኣብቲ መጽናዕቲ ሰፊሩ ኣሎ። ብመሰረት እቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣብ ዓለምና ልዕሊ 40 ማእከላይን ትሑትን ኣታዊ ዘለወን ሃገራት፡ እቲ ካብ ቻይና ዝረኽበኦ ልቓሕ ልዕሊ 10 ሚኢታዊት ካብቲ ዓመታዊ ጃምላዊ እቶተን ምዃኑ ኣግሂዱ ኣሎ። ጅቡቲ፡ ላኦስ፡ ዛምብያን ግይሪግስታንን ከም ኣብነት እንተወሲድና ቻይና ልዕሊ 20 ሚኢታዊት ካብ ጃምላዊ እቶተን እያ ትእውደን። መብዛሕትኡ እቲ ቻይና ዝሃበቶ ልቓሕ ዓበይቲ ጽርግያታት፡ መንገዲ ባቡርን ወደብን ብመስራሕ፡ ኣብ ጽዓተን ኢንዱስትሪን ወፍሪ ብምግባርን 'ቤልት ኤንድ ሮድ ኢንሸቲቭ' ብዝብል ዝውሃብ ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ። 'ዕዳ ከም መጻወድያ' ንዝብል እንታይ መርትዖ'ዩ ዘሎ? ቻይና ኣብ ልዕሊ ካልኦት መወዳድርታ ሃገራት ጸብለልታ ንምርካብ ኢላን ነተን ሃገራት ኣብ ዕዳ ንምሽማመን ኢላ 'ንልቓሕ ከም መጻወድያ' ትጥቐመሉ ከምዘላ ሓላፊ ኤም16 [ናይ ብሪጣንያ ሓለፊ አጄንሲ ጸጥታ] ሪቻርድ ሞር ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ገሊጹ። እቲ ክሲ፡ ቻይና ንድኻታት ሃገራት ክመልሰኦ ዘይክእላ ልቓሕ እንዳሃበት ከም መባድልቲ ንወሰንቲ ነገራት ናይታ ሃገር ከምእተሕድግ እዩ ዝግለጽ፡ ቻይና ግን ነዚ ክሲ እዚ ብተደጋጋሚ ክትነጽጎ ጸኒሓ'ያ። እቶም ነቃፎ ከም ኣብነት ዘቕርብዎ ጉዳይ ስሪላንካ'ዩ። ኣብ ሲሪላንካ፡ ቻይና ሃምባንቶታ ዝተብሃለ ኣዝዩ ግዙፍ ወደብ ንኽስራሕ ብመልክዕ ልቓሕ መዊላቶ። እንተኾነ እቲ ብቢልዮን ዶላር ብልቓሕ ቻይናን ብቻይናውያን ኮንትራከተራትን ዝተሰረሐ ወደብ ተንጠልጢሉ እዩ ዘሎ፡ ስሪላንካ ልቓሓ ክትከፍልስ ይትረፍ ነቲ ወለድ ናይቲ ልቓሕ'ውን ክትመልስ ኣይክኣለትን። ኣብ መወዳእታ ኣብ 2017 ስሪላንካ ሓደ ብመንግስቲ ቻይና ዝውነን ትካል 70 መኢታዊት ናይቲ ወደብ ን99 ዓመታት ክውንኖን ብኸምዚ እቲ ልቓሕ ክዳቐስን ኣብ ሓደ ስምምዕ ክትበጽሕ ተገዲዳ። እንተኾነ ቻይና ኣብቲ ወደብ ቀጥታዊ ዋንነት ስለዘይብላ፡ ንስሪላንካ ስለዘለቃሓት'ዩ እቲ ወደብ ብቻይናዊ ትካል ተወኒኑ ኢልካ ደፊርካ ክትዛረብ ኣይትኽእል ኢኻ። ብኣንጻሩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ቻይና ንሲሪላካ ዝሃበታ ልቓሕ ምብዝሑ፡ ቻይና ኣብ ስራላንካ ጥራይ ዘይኮነ ብሓፈሻ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ጽልዋ ንኸተዕቢ ከምዝተጠቐመትሉ ዝገልጹ'ውን ኣለዉ። ልክዕ ከምዚ ናይ ስሪላንካ፡ ኣብ ካልእ ክፋላት ዓለም'ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ቻይናውያን ሰብ ርእሰ ማል ዝወነንዎ ወይ ብኸፊል ዝወነንዎ ዓበይቲ ነገራት ናይ ሃገራት ኣሎ። እንተኾነ 'ኣይድዳታ' ብዝገበሮ መጽናዕቲ ብቻይናውያን ዝተወነነሉ ምኽንያት ብቐጥታ ምስቲ ልቓሕ ዝተሓሓዝ እዩ ክብሃል ከምይክኣል እዩ ዝድምድም። ቻይና ንሃገራት ዝሃበቶ ልቓሕ ብወግዒ ኣይትሓትሞን እያ፡ እተን ዝልቓሓ ሃገራት'ውን ዝተለቐሐኦ ክንገረለን ኣይደልያን'የን። ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ዝግበር ናይ ልቓሕ ስምምዕ ብወግዒ ከይተነገረ ክስነድ ምግባር ኸኣ ንቡር ተርእዩ እዩ። ፕሮፌሰር ሊ ጆንስ ካብ ኵን ሜሪ ዩኒቨርስቲ ለንደን'ውን ነዚ እዩ ዘራጉድ \"ምስ ልቓሕ ኣብ ዝተሓሓዙ ውዕላት ምስጢራዊ ስምምዕ ክግበር ንቡር'ዩ\" ይብል። ብኣንጻሩ ዝበዝሓ እተን ምዕቡላት ሃገራት ዝህብኦ ልቃሕ ብመንግዲ እቲ ብኣባልነት ዝተምዝገብኦ 'ፓሪስ ክለብ' ኣቢለን ንህዝበንን ንዓለመን የፍልጣ'የን። ቻይና ግን ነዚ ጉጅለ እዚ ክትጽንበሮ ዊንታ ኣየርኣየትን፡ እንተኾነ ብመንገዲ ካብ ባንኪ ዓለም ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ቻይና ትህቦ ልቃሕ ምስ ካልኦት ሃገራት ብምንጽጻር ልዑል ምዃኑ ክፍለጥ ይክኣል። ቻይና እትህቦ ልቓሕ ወለዱ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ብምንጽጻር ዝበዘሐ'ዩ። ቻይና እትህቦ ልቓሕ ወለዱ 4 ሚኢታዊት ኮይኑ ኣርባዕተ ዕጽፊ ናይቲ ካብ ባንኪ ዓለምን ሃገራት ፈረንሳን ጀርመንን ዝውሃብ ወለድ እዩ። ብዘይካ እዚ ቻይና እትህቦ ልቓሕ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመታት ክኸፍል ኣለዎ ዝብል ክኸውን እንከሎ ካልኦት ሃገራት ግን እቲ ልቓሕ ዝኽፈለሉ ግዜ ክሳብ 28 ዓመታት'የን ዝመጠኦ። ብመንግስቲ ቻይና ዝውነና ኣለቓሕቲ ትካላት ቻይና፡ ተለቓሕቲ ምጡን ሰልዲ ዘለዎ ኣብ ወጻኢ ባንኪ ክኸፍታን፡ ነቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ሰልዲ እተን ኣለቓሕቲ ትካላት ከፊተን ክርእየኦ ዘኽእል መሰል ክውሃብን የገድዳ እየን። ላዕለዋይ ዳይረክተር አይድዳታ፡ ብራድ ፓርክ ነዚ ኣመልኪቱ \"እተን ተለቓሕቲ ሃገራት ዕደአን ክኸፍላ ምስ ዘይክእል እተን ቻይናውያን ትካላት ካብቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ባንኪ ብቐጥታ ገለ ክፋል ናይቲ ዘለቐሐኦ ክወስዳ ዘኽእለን ውዕል እዩ፡ ነዚ ኸኣ ብሕጊ እየን ዝገብርኦ\" ይብል። ከምዚ ዓይነት ኣገባብ ኸኣ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ሳሕቲ'ዩ ዝርአ። ብቅልጡፍ ዝምዕብላ ዘለዋ ጉጅለ 20 [G20] እውን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንድኻታት ሃገራት ሂበንኦ ዝነበራ ልቓሕ ክስርዝኦ እየን ተራእየን። ቻይና'ውን ከም ኣባል እቲ ጉጅለ መጠን ካብተን ዝበዝሐ ዕዳ ዝሰረዛ ሃገራት ከምዝኾነት እያ ተገልጽ። ባንኪ ዓለም ካብ ግንቦት 2020 ልዕሊ 10.3 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ድኻታት ሃገራት ብጉጅለ 20 ከምዝተሰረዘ ኣብ ጸብዳቡ ኣስፊሩ ኣሎ። ንባንኪ ዓለም እቲ ዝተረዘ ልቓሕ ናይ ብዓል መን ሃገራት ምዃኑ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ክህበና ኣብ ዝተወከሰናሉ፡ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ከምዘይህበና'ዩ ገሊጹልና።","category":"መኻዝን ዕዳጋ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59891238"} {"headline":"ቢትኮይን፡ ቴስላ ቢትኮይን ኣብ ክሊማ ከስዕቦ ዝኽእል ዕንወት ብምስጋእ ከም ዘይቕበሎ ኣፍሊጡ","content":"ቴስላ ብሓደ ካብ ዲጂታላዊ ባጤራታት ዝኾነ ቢትኮይን መካይን ክሻይጥ ዝነበሮ መደብ ኣወንዚፉዎ። እዚ ብምኽንያት ቢትኮይን ኣብ ክሎማ ከስዕቦ ዝኽልእ ዕንወት ብምስጋእ ከም ዝኾነ መስራትን ላዕለዋይ ሓላፍን ቴስላ ኢላን ማስክ ብትዊተር ሓቢሩ። ኢላን ማስክ ነቲ ምስ ጸሓፈ ኣብ ዕዳጋ፡ ዋጋ ቢትኮይን ብ10 ሚኢታዊት ከም ዝጎደለን ዋጋ መሸጣታት ብርኪ ናይ ቴስላ'ውን ብተመሳሳሊ ዋግኡን ጠለቡን ከም ዝነከየን ተገሊጹ። ቴስላ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ካብ ትካሉ መኪና ክገዝኡ ዝደልዩ ሰባት ብቢትኮይን ክኸፍሉ ከም ዝኽእሉ ምስ ሓበረ ካብ ብዙሓት ተጣበቕቲ ስነ ኣከባቢ ዓቢ ተቓውሞ ኣጓኒፍዎ'ዩ። ብኤለትሪክ ዝሰርሓ መካይን ዘፍሪ ትካል ተስላ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዋጋ 1.5 ቢልዮን ዶላር ቢትኮይን ምስ ዓደገ ዋጋ ቢትኮይን ንሓቲ ክሳብ 64 ሽሕ ዶላር በጺሑ ነይሩ እዩ። ኢላን ማስክ፡ \"ምዕዳን ቢትኮይን [Bitcoin mining] ብዙሕ ሃልኪ ከሰል ዘድልዩ እዩ፤ እዚ ኸኣ ኣብ ክሊማዊ ለውጢ ዓቢ ኣሉታዊ ግደ ኣለዎ። ብርግጽ ዲጂታላዊ ባጤራ [ክሪፕቶካረሲ] ጽቡቕ ሓሳብ እዩ፤ ብዋጋ ክሊማዊ ብከላ ግን ክኸውን የብሉን\" ኢሉ። ንሱ ብምስዓብ እተን ትካሉ ዘፍርየን ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን፡ ብቢትኮይን ከም ዘይሸየጣ ብምግላጽ ምዕዳን ቢትኮይን ብተተካኢ ጽዓት ምስ ተቐየረ ግን ናብ ሓሳቡ ከም ዝምለሰ ገሊጹ። ተንተንቲ ስነ ከባቢ ውሳነ ኢላን ማስክ ነቶም ብዛዕባ ክሌማዊ ለውጢ ዝጠባቑ ክኢላታት ስነ ከባብን ተጠቀማንነት ተተካኢ ጸዓት ዘተባብዑን ዓቢ 'ደበስ'ዩ' ይብሉ። ተንታኒት ጁልያን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል \"ምውህሃድ ከባብያዊ፣ ማሕበራውን መንግስትን ንኣውፈርቲ ኣዝዩ ጸላውን ኣተባባዕን እዩ። ቴስላ ሓደ ካብ ዓበይቲ ትካላት ከም ምዃኑ መጠን ንከባብያዊ ብከላ ተረዲኡ እዚ ምውሳኑ ነቶም ብስነ ከባቢ ዝግደሱ ሞሳ'ዩ\" ኢላ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ቴስላ ኣብ ቢትኮይን ምስ ኣውፈረ ኣብ ሰለስተ ወርሒ 438 ሚልዮን ዶላር ከም ዝረኸበ እዩ ተገሊጹ ነይሩ። ኢላን ማስክ ኣብ ዓለምና ኣብ ዲጂታላዊ ባጤራ ዝለዓለ ወፍሪ ዝገበረ ተባሂሉ እዩ ዝግለጽ። ዕደና ቢትኮይን፡ ዓቢ ጽዓትን ማዕድንን ብዘድልየን ኮምፒተራት እዩ ዝካየድ። ሓንቲ ቅማረ ንምስራሕ ኸኣ ብዙሓት ዓደንቲ [ማይነርስ] እዮም ኣብ ሓደ ግዜ ዝወዳደሩ። በዚ ምኽንያት ብዙሕ ጸዓት ይሃልኽ ማለት እዩ። እተን ዓቢ ጽዓት ዘድልየን ኮምፒተራት ወይ ኤሌክትሪክ እየን ዝጥቀማ፤ እቲ ኤለትሪክ ኸኣ ወይ ብነዳዲ ወይ ኸኣ ብፈሓም እዩ ዝምንጮ። ዕደና ቢትኮይን እቲ ዝበዝሐ ኣብ ቻይና ዝካየድ ኮይኑ፡ ቻይና ሓንቲ ካብተን ንዕደና ቢትኮይን ዘይተተባብዕ ሃገር እያ። ብመሰረት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተገበረ መጽናዕቲ 75 ሚኢታዊት ናይ ዕደና ቢትኮይን ኣብ ቻይና እዩ ዝካየድ። እቲ ንዕደና ቢትኾይን ዝሃልኽ ጸዓትን ናብ ኣየር ዝበንን ካርበንን ክንዲ ዓሰርተ ዓበይቲ ከተማታት ቻይና ዘህልኸኦ ጽዓትን ናብ ኣየር ዘህፍፍኦ ካርበንን ከም ዝኾነ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተገበረ መጽናዕቲ ኣነጺሩ።","category":"መኻዝን ዕዳጋ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57097174"} {"headline":"ክሪፕቶካረንሲ፡ ንቢትኮይን ወግዓዊ ባጤራ ክኸውን ዝወሰነ መንግስቲ ኢል ሳልቫዶር ተቃውሞታት የጋጥሞ","content":"መንግስቲ ሃገረ ኢል ሳልቫዶር ንዲጂታላዊ ባጤራ [ክሪፕቶካረንሲ] 'ቢትኮይን' ሕጋዊ መተዓዳደጊ ክኸውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ በቲ ሓሳብ ዝተቖጥዑ ኣሽሓት ሰባት ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ፕረዚደንት ኢል ሳልቫዶር ናይብ ቡከለ፡ 'ክሪፕቶካረንስ' እቶም ኣብ ወጻኢ ኮይኖም እናሰርሑ ናብ ሃገሮም ሰልዲ ክሰዱ ዝደልዩ ዜጋታት ኢልሳልቫዶር ቢትኮይን ዝሓሸ ኣገባብ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። እቶም ሰለማዊ ሰልፊ ዘካየዱ ኣሽሓት ሰባት ግን፡ ውሳነ ፕረዚደንት ናይብ ቡከለ፡ ነታ ድኻ ላቲን ኣመሪካዊት ሃገር ናብ ዝኸፈአ ዓዘቕቲ ድኽነት ዝሸምምን ዝበኣሰ ዘይምርግጋእን ቁጠባዊ ዝቕባበን ክፈጥር እዩ ዝብል ስግኣት እዩ ዘለዎም። እቶም ሰልፈኛታት ንገለ ማሽናት ናይ ቢትኮይን ሓዊ ከእትውለን እንከለዉ ገለ ኸኣ 'ናይብ ቡከለ ውልቀ መላኺ' ዝብል ጭርሖታት ሒዞም ነይሮም። ሃገረ ኢልሳልቫዶር ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚራ ዲጂታላዊ ባጤራ ቢትኮይን ጎኒ ጎኑ ዶላር ናይ ኣመሪካ ኣብ ዕዳጋታት ሕጋዊ መተዓዳደጊ ክኸውን ብወግዒ ምውሳና ይዝከር። እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ርእሰ ኸተማ እታ ሃገር፡ ኣብ መበል 200 ዓመት ናጽነት እታ ሃገር ናብ ጎደናታት ብምውጻእ 'ኣይፍል ንቢትኮይን' ከምኡ'ውን 'ብቅዋም ንማእዘዝ' ዝብል ዝርከቦ ጭርሖታት ብምሓዝ ተቃውመኦም ኣስሚዖም። ብተወሳኺ እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ ስልጣን ንኽጸንሕ ውልቀ ምልኪ የርኢ ኣሎ ብምባል ከሲሶም። ፕረዚደንት ናይብ ቡከለ፡ ዋላ እኳ ብርቱዕ ተቃውሞታት ይጋጥሞ እንተሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ሓንቲ ጋዜጣ ብዝገበረቶ ኣፈናዊ ዳህሳስ እቲ ፕረዚደንት 85.7 ሚኢታዊት ደገፍ ከምዘለዎ ከተረጋግጽ ክኢላ እያ።","category":"መኻዝን ዕዳጋ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58567799"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ክጅምር እዩ ዝበሃል 'ክረዲት ካርድ' እንታይ እዩ?","content":"ባንክ ኣዋሽ ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ክረዲት ካርድ ዝህብ ፈላማይ ባንኪ ክኸውን ከምዝተቓረበ ኣፍሊጡ ኣሎ። እቲ ባንኪ ኣብ ቀረባ እዋን ከም ዝገለጾ፡ ብዘይካ ኣገልግሎት ‘ደቢት ካርድ’፡ ኣገልግሎት 'ክረዲት ካርድ' ምሃብ ክጅምር እዩ። ባንክታት ኢትዮጵያ ብዘይካ ኣገልግሎት ደቢት ካርድ፡ ንዓማዊለን ካልእ ኣገልግሎት ካርድ ኣይህባን እየን። ቅድሚ ሕጂ ባንኪ ዳሸን ባጤራ ወጻኢ ዝጥቀሙ ዓማዊል ኢንተርናሽናል ደቢት ካርድ ዝበሃል ካርድ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ ነይሩ። እዚ ዝተፈላለየ ዓይነት ካርድ ኣገልግሎት ምትሕልላፍ ገንዘብ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ዓበይቲ ባንክታት ንዓማዊለን ዝህባኦ እዩ። ኣብ ቀረባ እዋን፡ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ፡ ባንክታት ወጻኢ ናብ ዕዳጋ ዓዲ ክኣትዋ ከምዘፍቅድ ምግላጹ ዝዝከር እዩ። መብዛሕትአን ዓለምለኻውያን ባንክታት ንዓማዊለን ክረዲት ካርድ ከምኡ'ውን ካልእ ኣገልግሎት ካርድ እንተላይ ደቢት ካርድ ይህባ። ብዝዀነ ክረዲት ካርድ እንታይ እዩ? ተጠቃሚ ክረዲት ካርድ ክትከውን ትኽእል ዲኻ? እቲ ረብሓኡን ጉድኣቱንከ? ኣባል ማሕበር ቻርተርድ ኣካውንታንት ዓባይ ብሪጣንያ ጥላሁን ግርማ፡ ባንክታት ብልምዲ ክልተ ዓይነት ኣገልግሎት ካርድ ከም ዝህባ ይገልጽ። ብመሰረት እቲ በዓል ሞያ ምምኽኻርን ኦዲቲንን፡ ደቢት፡ ዓሚል ካብ ውሽጢ እቲ ዝተቐመጠ መጠን ገንዘብ ካብ ኤቲኤም ምውጻእ ዝፈቅድ፤ ኣብ ማሽን ክፍሊት ክትጥቀመሉ እትኽእል ካርድ እውን እዩ። \"ክረዲት ካርድ ግን እቲ ባንክ 'እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተቐመጠ ገንዘብካ፡ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ' ዝብለሉ ግዝያዊ ልቓሕ'ዩ።\" ባንክታት ነዚ ናይ ካርድ ኣገልግሎት ንዓማዊለን ዝፈቕዳሉ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮም ኣጠቓቕማ ሕሳብን ምንጪ ኣታዊን መጠንን ኣብ ግምት ብምእታው እዩ። ብተወሳኺ ዓቕሚ ዘለዎም ዓማዊል ካብቲ ዝተቐመጠ ገንዘብ ንላዕሊ ወጻኢታት ክገብሩ ክፍቀደሎም ከምዝኽእል ይገልጹ። እቲ ክኢላ ኣብ መንጐ ክረዲትን ደቢትን ካርድ ዘሎ ፍልልይ ብኣብነታት ይገልጽ። ንኣብነት ይብል፣ \". . ንኣብነት 20 ሽሕ ብር እንተሃልዩካ፡ ካብ ኤቲኤም ከተወጽእ ወይ ትራንዛክሽን ክትገብር ትኽእል ኢኻ፡ ካብቲ ዘለካ ንላዕሊ ከተውጽእ ግን ኣይትኽእልን ኢኻ።\" ክረዲት ካርድ ግን፡ ባንክታት ዓሚል ናይ ምምላስ ዓቕሙ ኣብ ግምት ብምእታው ዝህብዎ ዓይነት ናይ ሓጺር ግዜ ልቓሕ እዩ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም፡ ኣብ ክረዲት ካርድ ልቓሕ ወለድ ይኽፈል። ኣብ ገለ ሃገራት ግን ዓማዊል ክሳብ እቲ ናይ መወዳእታ ግዜ እንተዘይከፊሎም ጥራይ እዮም ወለድ ዝኸፍሉ። “ንኣብነት ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲ እንተዘይከፊልካ ወለድ ክህሉ እዩ። ፖሊሲ ባንኪ ኣዋሽ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ግን ንቕድሚት ዝረአ እዩ።\" ዓማዊል ኣገልግሎት ክረዲት ካርድ ንምርካብ ነዚ መጠን ልቓሕ ናብ ባንኪ መመልከቲ ከቕርቡ ኣለዎም። ብመሰረት እቲ ባንኪ ዘቐመጦ መዐቀኒታት ዓቕሚ ዓማዊልን ምስ ባንኪ ዘለዎም ርክብን ኣብ ግምት ብምእታው ፍቓድ ይህብ። “ደሞዝካ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ምስቲ ባንኪ ዘለካ ርክብ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ነጋዳይ እንተዄንካ ናይ ንግዲ ኵነታትካ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓደሓደ ግዜ እቲ ባንክ ክሳራኡ እናፈለጠ'ውን፡ ክፈቅድ ይኽእል እዩ።” እቲ ክኢላ፡ ተጠቀምቲ ባንኪ፡ ዕላማ ክረዲት ካርድ ብንጹር ክርድኡ ከም ዘለዎም ብተደጋጋሚ ይመክር። “ክረዲት ካርድ ንሓጺር ግዜ ንዘድልየካ ናይ ልቓሕ ድሌታት እዩ። ቀዋሚ ንብረት [መኪና፡ ገዛ] ክትገዝእ ግና ኣይኰነን።” ቀንዲ ዕላማ ክረዲት ካርድ ካብ ህጹጽ ፋይናንሳዊ ኵነታት ንምውጻእ እዩ። \"ስለዚ ድማ እዩ እቲ ንመምለሲ ዝኸውን ናይ ግዜ ገደብ ዝተወሰነ\" ይብል እቲ ምሁር ስነ-ቑጠባ። \"ባንኪ ኣዋሽ ነቲ ብልቓሕ እትጥቀመሉ ገንዘብ ኣብ ክንደይ ግዜ ከም እትመልሶ ብዝምልከት ናይ ባዕሉ ፖሊሲ ከስፍር እዩ ዝብል ግምት ኣሎኒ። መብዛሕትኡ ግዜ ግን እዚ ብምንጪ ኣታዊ እቲ ዓሚል እዩ ዝውሰን።” ንኣብነት ሰራሕተኛ እንተዄንካ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ደሞዝ ምስ ተቐበልካ ክትከፍል ክትሰማማዕ ትኽእል ኢኻ፤ ኣብ ንግዲ እንተሃሊኻ ምናልባት ኣብ ወርሒ ክልተ ግዜ ክትከፍል ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ። ባንኪ ኣዋሽ ነዚ ኣገልግሎት ንዅሎም ተጠቀምቲ እቲ ባንኪ ከም ዝህብ ቃል ኣትዩ ኣሎ። ዳረን ዝተባህለ ወዲ 44 ዓመት እንግሊዛዊ፡ 32 ሽሕ ዩሮ ዕዳ ምስ ኣጋጠሞ፡ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ኣይፈለጠን። ዳረን ነቲ ካብ ባንኪ ዝወሰዶ ክረዲት ካርድ ድሌታቱ ንምምላእ ይጥቀመሉ'ኳ እንተነበረ፡ ነቲ ዕዳ ኣብ ግዚኡ ክኸፍል ግን ዓቕሚ ኣይነበሮን። “ኣብ ልዕሊ ዕዳ ዕዳ ክውስኽ ከለኹ እናተዀመረ መጺኡ። ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ እናዓበየ ምስ ከደ፡ ዓመት ዓመት ዕዳይ እናወሰኸ ከይዱ። ኣዝየ ተጨኒቐ ነይረ።” ዳረን ሕጂ ዕዳኡ'ኳ እንተኸፈለ፡ ብዙሓት ብሪጣንያውያን ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ዕዳ ክረዲት ካርድ ይርከቡ። ጥላሁን ከም ዝብሎ፡ ክረዲት ካርድ ብግቡእ እንተዘይተጠቒምካሉ፡ ኣብ ተጠቃሚን ባንክታትን ክሳራ ከስዕብ ይኽእል እዩ። ነዚ እዩ ድማ ቀንዲ ዕላማ ክረዲት ካርድ ንሓደ ጸገም ብቕልጡፍ ንምፍታሕ ክኸውን ኣለዎ ዝብሉ። \"ንኣብነት፡ ሓደ ኣባል ስድራቤትካ ዝሓመመ እንተሃልዩካ፡ ወይ ሕጂ ንብረት ክትገዝእ እንተ ኣድልዩካ፡ ክረዲት ካርድ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።\" እቲ ክኢላ፡ ክረዲት ካርድ \"ከም 'ቴለማኒ' እዩ\"ይብል። “ቴለማኒ ገንዘብ ኣብ ዘይብልካ እዋን ልቓሕ ይህበካ። ኣብ ዝቕጽል እዋን ክትመልእ ከለኻ ካብ ኣካውንትኻ ዝውሰድ እዩ።” ኣብ ገለ ሃገራት 'ክረዲት ስኮር' ዝበሃል ኣምር ኣሎ። መዐቀኒ ነጥቢ ልቓሕ ናይ ሓደ ሰብ ናይ ልቓሕ ታሪኹ እዩ። ልቓሕ ወሲዶም ኣብ ግዚኡ ዝኸፍሉ ሰባት ጽቡቕ 'ክረዲት ስኮር' ከምዘለዎም ይንገር። ጽቡቕ ናይ ልቓሕ ታሪኽ ዘለዎም ሰባት ብባንክታት ይኽበሩ። እቲ ዝደልይዎ ቀልጢፉ ይፍጸመሎም። ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት፡ ወለድ ክረዲት ካርድ፡ ካብቲ ባንክታት ንዓማዊለን ዘኽፍላኦ ወለድ ካልኦት ካርድታት ዝለዓለ እዩ። “ልቓሕ ስለዝኰነ ወለድ ኣለዎ። ወለድ ብሰንኪ ሓደጋ ይውስኽ። ንብረት ዝልቃሕን ንብረት ዘይብሉ ልቓሕ ዝወስድ ሰብን ማዕረ ስለዘይኰኑ፡ ወለድ ብምውሳኽ ነቲ ሓደጋ ይቕንሱ። ደቢት ካርድ ክትጥቀም ከለኻ፡ ኣብ ውልቃዊ ማሽን [ኤቲኤም፡ ትራንዛክሽን ማሽን] ክፍሊት ዝሓትት እንተዘይኰይኑ ተወሳኺ ኣይትኸፍልን ኢኻ። ብተወሳኺ ነቲ ዝተጠቐምካሉ ክፍሊት እንተሃልዩ ኣቐዲሙ ከፍልጠካ እዩ። ብዛዕባ ክረዲት ካርድ ግን ካብ ኤቲኤም ማሽን ገንዘብ ምስ ኣውጻእካ ክፍሊት ትኸፍል። ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ካርድ ዝሃበካ ባንክ ናይ ኣገልግሎት ክፍሊት ይሓትት። ብኢንተርነት ኣቝሑትን ኣገልግሎታትን ዝሸጣ ኩባንያታት ካብ ደቢት ካርድ ንላዕሊ ብክረዲት ካርድ ይመርጻ። ናይዚ ምኽንያት ድማ ብክረዲት ካርድ ነቲ ገንዘብ ብቐጥታ ካብ ባንክ ክትረኽቦ ስለ እትኽእል እዩ። ክኢላታት ብክረዲት ካርድ ተጠቒምካ ካብ ኤቲኤም ገንዘብ ምውጻእ ኣይመኽሩን እዮም። ኣብ ከክንድኡ፡ ዕዳጋ ክትገብር ከለኻ፡ 'ክረዲት ካርድካ ተጠቐም' ይብሉ። ቪዛ፡ ማስተርካርድ፡ ኣሜሪካን ኤክስፕረስን ዲስከቨርን ኔትወርክታት ክረዲት ካርድ እዮም። ባንክታት ነዞም መርበባት እዚኦም ንዓማዊለን ክረዲት ካርድ ንምሃብ ይጥቀማሎም። መብዛሕትአን ኣህጉራውያን ባንክታት ነቶም ክረዲት ካርድ ዝጥቀሙ ዓማዊለን ንምትብባዕ ይህባ። ንኣብነት፡ ካብቶም ብክረዲት ካርድ ንናይ መንገዲ ኣየር ትኬት፡ ክፍሊት ሆቴልን ብኢንተርነት ዕዳጋን ዝጥቀሙ ዓማዊሎም ይህቡ። እቲ ምትብባዕ ብመልክዕ ማይልስ መንገዲ ኣየር፡ ተወሳኺ ክፍሊት ሆቴልን ናይ ህያብ ካርድን ክወሃብ ይኽእል። ባንክታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ 'መግለጺታት' [ሓበሬታ ሕሳብ ባንክ] ናብ ዓማዊለን ይልእኻ። እዚ መግለጺ እዚ፡ እቲ ዓሚል ብክረዲት ካርዱ ተጠቒሙ ክንደይ ከም ዝኸፈለ፡ ወለድን ዝዀነ ተወሳኺ ክፍሊትን የጠቓልል። ወሲኹ፡ ኣብ ክረዲት ካርዶም ክንደይ ገንዘብ ተሪፉ፤ ክትመልሶ ዘለካ ዝተሓተ መጠን ገንዘብን ብኸመይ ክትመልሶ ከም እትኽእልን የጠቓልል። ኣካውንታንት ጥላሁን፡ ድሕሪ ውሳነ ባንኪ ኣዋሽ \"ካልኦት ባንክታት ኣይክድቅሳን እየን\" ይብል። \"እዚ ኣገልግሎት ክሳብ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ዘይምጅማሩ ዘገርም'ዩ። ካልኦት ባንክታት ድማ ድሕሪ ባንኪ ኣዋሽ ክጅምራ ይሸባሸባ ኣለዋ ወይ ክጅምራ ተኽእሎ ኣሎ።\"","category":"መኻዝን ዕዳጋ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2qz45rlrwo"} {"headline":"ኣውስትራልያ፡ ንዝሞቱ ዓማዊሉ ናይ ኣገልግሎት ባንክን ፋይናንስያዊ ማዕዳን ከኽፍል ዝጸንሐ ባንኪ","content":"ኣብ ኣውስትራልያ ካብ ዝርከቡ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ባንክታት ዝኾነ ዌስትፓክ፡ ብዝቐረበሉ ሽዱሽተ ክስታት ጌጋ ከምዝፈጸመ ተኣሚኑ። ባንኪ ዌስትፓክ ትሑት ኣተሓሕዛ ዓማዊልን ካልእን ዝብል ክሲ'ዩ ቀሪብሉ፡ ሓደ ካብቲ ዝቐረበሉ ክሲ ንዝሞቱ ዓማዊሉ ብገንዘብ ይቐጽዕ ምንባሩ ግን ንብዙሓት ዘዘራርብ ዘሎ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ባንኪ ብቤት ፍርዲ 81 ሚልዮን ዶላር ክቅጻዕ ተበይንዎ ኣሎ፡ ብዘይካ እዚ ንዝበደሎም ዓማዊሉ መከሓሓሲ ዝኸውን 57 ሚልዮን ዶላር'ውን ክቕጻዕ'ዩ። ምክትል ሓላፊት ክፍሊ ድሕነትን ወፍርን ባንክታት ኣውስትራልያ ሳራ ኮርት \"እዚ ከምዚ ዓይነት ተግባራት፡ ተገልገልቲ ኣብ ልዕሊ ባንክታቶም እምነት ከምዘይህልዎም ዝገብር ኮይኑ፡ ኣብ ዌስትፓክ ዘጋጠመ ኸኣ እዚ እዩ፡ ኣብ ባንኪ ዝህሉ ምጥርጣር ንናይ ኢንሹራንስ ትካላትን ካልእን ስለዝጸሉ ኸኣ ኣሉታዊ ጽልውኡ ቀሊል ኣይኮነን\" ኢላ። ምስ ካልኦት ብምዃን ነቲ መርመራ ዘካየደ ክፍሊ ድሕነትን ወፍርን ባንክታት ኣውስትራልያ ኣብ ባንኪ ዌስትፓክ፡ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ካብ 11 ሽሕ ዝሞቱ ዓማዊሉ ናይ ኣገልግሎት ባንክን ፋይናንሳዊ ማዕዳን እናበለ ልዕሊ 7 ሚልዮን ዶላር ከምዝቆረጸ ገሊጹ \"እዞም ዝሞቱ ዓማዊል እዚ ባንኪ ዝነበሩ ሰባት ስለዝሞቱ ዝረኸብዎ ኣገልግሎት ይኹን ፋይናንሳዊ ማዕዳ የለን፡ እዚ ባንኪ ግን ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ሰልዲ ክቆርጸሎም ጸኒሑ\" ይብል እቲ ጸብጻብ። ብዘይካ እዚ ንልዕሊ 7000 ዓማዊሉ፡ ክልተን ልዕሊኡን ተመሳሳሊ ቅዳሓት ናይ ኢንሹራንስ እናኣርኣየ ክልተ ግዜ ወይ ልዕሊኡ ከምዝኸፍሉ ከምዝገበሮምን፡ ብውሕዱ ካብ 25 ሽሕ ዓማዊሉ ምኽንያቱ ከይገለጸ ብድምር ልዕሊ 5 ሚልዮን ዶላር ሰልዲ ከምዝቐረጸሎም ኣብቲ ዝቐረብ ጸበጻብ ናይ ቤት ፍርዲ ተገሊጹ ኣሎ። ላዕለዋይ ኣካያዲ ስራሕ ዌስትፓክ ፔተር ኪንግ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ \"እዚ ተባሂሉ ዘሎ ኹሉ ክግበር ኣይነበሮን፡ ሕጂ ኣሰራርሓና ኣጻፊፍና እኹል ትሩፍ ምቁጽጻር ከምዝህሉ ገይርና ኣለና፤ ንኹሎም ዓማዊልና ኸኣ ይቕሬታ ንሓትት\" ኢሉ።","category":"መኻዝን ዕዳጋ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59472337"} {"headline":"ጉሕለት ኣልኣዛር፡ ሰሜን ኮርያ ንስለ ቢሊየን ዶላራት ዝሰረቐትሉ መገዲ","content":"ብ2016፡ ሰሜን ኮርያውያን ሰርሰርቲ ካብ ሃገራዊ ባንኪ ባንግላድሽ ሓደ ቢልዮን ዶላር ክሰርቁ መደብ ኣውጺኦም። እዚ ኹሉ ገንዘብ ግሒጦም ከውጽኡ ኣብ ጫፍ ምስ በጽሑ ግን፡ ንስለ ካብቲ ዝወሰዱዎ 81 ሚልዮን ዶላር ተዓጊቱ። ንምዃኑ እታ ኣብ ዓለም ዝደኸየትን ዝተነጸለትን ሃገር ብኸመይ ዝተራቐቐ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ገበነኛታት ክህልውዋ ክኢሎም? እዚ ብኽልተ ክፋል እነቕርበልኩም ዘለና ዛንታ ቀዳማይ ክፋሉ ነዚ ፈለግ ተኸቲልኩም ክትረኽቡዎ ትክእሉ። ካልኣይ ክፋሉ ከኣ እነሆ። ኣባል ኮንግረንስ ኣመሪካ ካሮላይን ማሎኒ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ክትዛረብ እንከላ \"ካብቲ ኮንግረንስ ወጺአ ናብ መገዲ ኣየር እናኸድኩ'የ ብዛዕባ እዚ ስርቂ ኣብ ጋዜጣ ኣንቢበ። ብጣዕሚ ዘሰንብድ ክስትተ እዩ ነይሩ፤ ምናልባት ኣብ ዕዳጋ ፋይናንስ ዝረኣኹዎ ዘሰንብድ ክስተት እዚ'ዩ ክኸውን ዝኽእል\" ትብል። ኣባል ቀዋሚ ኮሚቴ ፋይናንሳዊ ኣገልግሎት ኮንግረንስ ኣመሪካ ማሎኒ፡ እዚ ስርቂ ገንዘብ ብቐሊሉ ዘይኮነ ቢሊዮናት ዶላራት ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ስርዓት ዝነበረ እምነት ዘዳኽም እዩ ብዝብል እያ ተረዲኣቶ። \"እቲ [ዶላራት ዝሓዘ] ባንኪ ኣብ ኒውዮርክ'ዩ ነይሩ፤ ልዑል ጥንቃቐ እዩ ዝግበረሉ። ከመይ ኢሉ'ዩ እዚ ገንዘብ ክመሓላለፍ ክኢሉ?\" ትብል። ናብቲ ባንኪ ደዊላ፡ ሓደ ሰራሕተኛ እቲ ዝበዝሕ ገንዘብ ከድሕኑዎ ከም ዝኽኣሉ ሓቢሩዋ፤ እዚ ሳላ ንኡሽቶ ሃንደበታዊት ነገር ዝተረኽበ ሚልዮን ዕድል እዩ። እቶም ሰርሰርቲ 951 ሚሊየን ዶላር ከመሓላልፍሉ ዝሓሰቡዎ ባንኪ ኣብ ማኒላ ዘሎ ጨንፈር ኣርሲቢሲ ኣብ ጎደና ጅፒተር እዩ ዝርከብ። ኣብ ማኒላ ሰርሰርቲ ክጥቀሙለን ዝኽእሉ ብዙሓት ባንኪታት ኣለው'ዮም። ግን ድማ ንሳቶም ነዚ ባንኪ መሪጾም፤ እዚ ውሳነኦም ክኣ ብዙሕ ሚሊዮን ዶላራት ክስእኑ ገይሩዎም። \"እቲ ምትሕልላፍ ገንዘብ ካብቲ ፌዴራላዊ ባንኪ ኣመሪካ [ፌድ] ክግታእ ተገይሩ፤ ናይዚ ምኽንያት ኣብቲ ዝተኣዘዘ 'ጁፒተር' ዝብል ቃል ተጠቒሞም ነይሮም። እዚ ሽም ናይታ ማዕቀብ ዝተገብረላ መርከብ ጽዕነት ኢራን እዩ\" ትብል ካሮሊን ማሎኒ። \"ጁፒተር\" እትብል ቃል ኣብ 'ፌድ' ዝርከባ ኮምፒዩተራት መንቅሒ ደወል ምልክት ክህባ ገይራ። በዚ ምኽንያት እቲ ዝተሓተተ ክፍሊት ተጻርዩ፤ መብዛሕትኡ ከኣ ጠጠው ክብል ተገይሩ። ሓሙሽተ ምልውዋጣት ገንዘብ ግን እዚ ፈተና ሓሊፎም ተፈጺሞም፤ 101 ሚሊየን ዶላር ማለት እዩ። ካብዚ ሻሊካ ፋውንዴሽን ናብ ዝተባህለ ኣብ ስሪላንካ ዝርከብ ግብረሰናይ 20 ሚሊየን ዶላር ክመሓላለፍ ተገይሩ። እዚ እቶም ሰርሰርቲ ዝገበሩዎ ኮይኑ፡ መስራቲት እቲ ፋውንዴሽን ግን እቲ ገንዘብ ሕጋዊ ልገሳ እዩ ኢላ ትኣምን። ኣብዚ'ውን እንተኾነ እዞም ሰረቕቲ ዘጠራጥር ነገር ከይገደፉ ኣይተርፉን። እቲ ገንዘብ ናብ \"ሻሊካ ፋውንዴሽን\" እዩ ተመሓላሊፉ ኢልናኩም። ሓደ ቖቛሕ ዝኾነ ሰራሕተኛ ባንኪ ግን ኣብቲ ክፍሊት ክፍጸም ዝሓትት ወረቐት ናይ ስርዓተ ቋንቋ [Grammar] ጸገም ከም ዘሎ ስለ ዝተገንዘበ እቲ ገንዘብ ይመልሶ። ስለዚ 81 ሚሊየን ዶላር ጥራሕ ይሓልፈሎም። እንተኾነ እዞም ሰረቕቲ ዝሓሰቡዎ ገንዘብ እዚ ጥራሕ ኣይነበረን። ንባንግላድሽ ግን እዘን ገንዘብ እዚአን ንርእሰን ብዙሕ ነገር ስለ ዝኾና መንግስቲ እንታይ እናዓየየ'ዩ ገንዘብና ዝስረቕ ዝብል ዓብዪ ተቓውሞ ኣልዒሉ። 20 ሚኢታዊት ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ድኽነት እዩ ዝነብር። ባንኪ ባንግላድሽ እቲ ገንዘብ ንክመልስ ጻዕሪ ኣብ ዝገብረሉ እዋን እቶም ሰርሰርቲ እቲ ገንዘብ ባንግላድሽ ኣብ ዘይትረኽቦ ቦታ ኣቐሚጦምዎ። ዓርቢ 5 ለካቲት፡ እቶም ኣብ ባንኪ ኣርሲቢሲ ዝተኸፈቱ ኣርባዕተ ናይ ባንኪ ሒሳብ ህይወት ዘሪኦም ምንቅስቓስ ይጅምሩ። እቲ ገንዘብ ካብ ሓደ ኣካውንት ናብ ካልእ ክመሓላለፍ እንከሎ ገንዘብ ናብ ዝቕይር ትካል ክኣትው'ዩ ተገይሩ። ናብ ናይታ ሃገር መተዓዳደጊ ገንዘብ ብምልዋጥ ተመሊሱ ናብቲ ባንኪ ኣትዩ። ካብዚ ገሊኡ ብጥረ ገንዘብ ወጺኡ። ሰብ ሞያ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብ \"ብገበን ዝመጽአ ገንዘብ ዋላ ሓደ ክፋእ ዘይብሉ መሲሉ ክርኣይ ክትገብር ኣለካ፤ ብሕጋዊ መገዲ ዝመጽአ ንክመስል እውን እቲ ምዝውዋር ገንዘብ ልኡም ክኸውን እዩ ዝግበር\" ይብሉ። ይኹን'ምበር መርመርቲ ምንጪ እዚ ገበን ንምጽራይ ኣይከበዶምን፤ ስለዚ እቶም ሰረቕቲ ኣበር ንከይርከቦም ካብ ስርዓት እቲ ባንኪ ክወጽኡ ኣለዎም። ነቶም ገንዘቦም ክመልሱ ዝጓየዩ ዘለው ሰባት የሻል ንከብሉ፡ በቲ ገንዘብ ክጣልዑ መሪጾም። ሶላሪ፡ ኣብ ውሽጡ ዓበይቲ ትካላት ንግዲ፣ ናይ ቲያትር ቦታ፣ ሆቴልን ካልእን ዘለዎ ዓብዪ ህንጻ ዝርከብ ናይ ጠላዕ [ቁማር] እዩ። ማኒላ ካብ ቻይና ከይተረፈ መጺኦም ጠላዕ ዝጣልዑላ ከተማ እያ። ሶላሪ ከኣ \"ሓደ ካብቶም ኣብ ኤዥያ ዘለው ሰሓብቲ ናይ ጠላዕ ቦታታት'ዩ\" ይብል ኤዲተር መጽሄት 'ኤዥያን ጌሚንግ' መሓመድ ኮሄን። \"ኣዝዩ ምዕሩግ ኮይኑ ዝተሰርሐን ኣብ ደቡብ ምብራቕ ኤዥያ ምስ ዘሎ ዝኾነ ይኹን ነገር ክወዳደር ዝኽእልን'ዩ። ብውሑድ 400 ጠረጴዛታት ጌምን 2000 መጻወቲ ማሽናትን ኣለውዎ\" ኢሉ። ኣብዚ'ዮም እቶም ሰረቕቲ ባንኪ ባንግላድሽ ቐጻሊ ገንዘብ ናይ ምዝውዋር መደቦም ከሳልጡ ትልሚ ሒዞም ዝነበሩ። ካብቲ 81 ሚሊየን ዶላር እቲ 50 ሚሊየን ዶላር ናብ ሒሳብ ባንኪ ሶላሪን ካልእ ናይ ሚዳስ ዝተባህለ መጠልዕን ክኣቱ ገይሮም። ሰኔት ፊሊፒንስ ዘጣየሶ ኮሚቴ ምጽራይ ከም ዝብሎ እቲ ገንዘብ ዡ ዊካንግ ንዝተባህለ ቻይናዊ ተኸፊሉ። እዚ ውልቀሰብ ካብታ ከተማ ብናይ ውልቂ ጀት ወጺኡ ምስ ተባህለ ድሕሪኡ ብዛዕብኡ ተሰሚዑ ኣይፈልጥን። እዞም ሰረቕቲ ጠላዕ ዝተጠቐምሉ ምኽንያት ኣሰር እቲ ገንዘብ ንከይፍለጥ ንምጥፍፋእ ኮይኑ መጀመርታ እዚ ዝተሰረቐ ገንዘብ ናብዚ ናይ ጠላዕ ሳናቲም ተቐይሩ ኣብ ጠረጴዛታት እቲ መጻወቲ ወሪዱ መሊሱ ናብ ገንዘብ እዩ ተቐይሩ። እዚ መርመርቲ ምንጪ እቲ ገንዘብ ንምፍላጥ ከጸግመሎም እዩ ብዝብል ሒሳብ ዝተመረጸ መገዲ'ዩ። ሓደግኡኸ? እቲ ገንዘብ ኣብ ጠረጴዛ ጠላዕ ተበሊዖም ገንዘቦም ክስእኑ'ዶ ኣይክእሉን'ዮም? ትብሉ ትኾኑ። ፈጺሞም ኣይስእኑዎን። ሓደ፡ ኣብ ክንዲ እቲ ኩሉ ሰብ ዝጻወተሉ ቦታ እቶም ሰረቕቲ ናይ ባዕሎም ክፍሊ ክዳለወሎም ብምግባር ኣብታ ናቶም ጠረጴዛ ክጻወት ዘፍቅድሉ ጥራይ'ዩ ዝርከብ፤ እዚ ድማ እቲ ገንዘብ ከመይ ኣብ ቑማር ይውዕሎ ኣሎ ንምቁጽጻር ይጥዕሞም። ካልኣይ እቲ ዝተሰረቐ ገንዘብ ኣብ ኤዥያ ፍሉጥ ዝኾነ 'ባካራት' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጌም'ዮም ዝጻወትሉ። እዚ ጸወታ ኣዝዩ ቀሊል ስለ ዝኾነ ንምስዓር ኣይጽገሙን። ድሕሪ'ዚ እዞም ገበነኛታት እቲ ዝተሰረቐ ገንዘብ ብዘይሕጋዊ መገዲ ብምዝውዋር ሕጋዊ ብዝመስል መገዲ ናብ መዓልኦም ዘውዕልሉ ኣገባብ ይሕንጽጹ። ካብቲ እንዳ ጠላዕ ገንዘብ ንምውጻእ ሰሙናት ይወስድ ስለ ዝነበረ ኣብዚ ግዜ ባንኪ ባንግላድሽ ክስዕቦም ጀሚሩ ነይሩ። ሰብ መዚ እታ ሃገር ናብ ማኒላ መጺኦም እቲ ገንዘብ ኣብ ምንታይ ከም ዘሎ ፈሊጦም። ናብቲ ናይ ጠላዕ ቦታ ምስ መጽኡ ግን ገለ ዝገትኦም ነገር እዩ ኣጋጢሙዎም። ኣብቲ እዋን ኣብ ፍሊፒንስ ዘለው ናይ ጠላዕ ገዛውቲ ብመምርሒታት ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ዝግዝኡ ኣይነበሩን። ጠላዕ ኣተሓሳሳቢ ጉዳይ እንተነበረ'ውን እቲ ገንዘብ ግን ብሕጋውያን ተጣላዕቲ ናብ ባንኪ ኣትዩ'ዩ። ሶላሪ፡ ብዛዕባ እቲ ዝተሰረቐ ገንዘብ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረንን እዩ ዝብል። ሚዳስ ግን ርኢይቶ ንምሃብ ዝቐረበሉ ሕቶ ኣይመለሰን። ሰብ መዚ እቲ ባንኪ ካብ ሓደ ነቲ ኣብ ሚዳስ ነቲ ጠላዕ ዘተሓባበረ ውልቀሰብ 16 ሚሊየን ዶላር ክመልሱ ክኢሎም። እዚ ኪም ዎንግ እዩ ዝብሃል። ተኸሲሱ እንተነበረ'ውን ጸኒሑ ክሱ ውድቂ ኮይኑ። ወዮ ሓደ ቢሊየን ዶላር ክሰርቁ ዝተበገሱ ሰርሰርቲ፡ 35 ሚሊየን ዶላር ሒዞም ተሪፎም፤ መርመርቲ ከም ዝብሉዎ እዚ ገንዘብ ናብ ሰሜን ኮርያ ክኣቱ ሓንቲ መገዲ ጥራይ ተሪፋቶ ነይራ። ፍሉይ ምምሕዳር ማካኡ ኣብ ሆንግ ኮንግ ምስ ዘላ እትመሳሳሰል ግዝኣት ቻይና እያ። ልክዕ ከም ፊሊፒንስ ኣብ ቻይና ኣብ ዓለም ካብ ዘለው ፍሉጣት ናይ ጠላዕ ቦታታት ኣለውዋ። እዛ ባዕላዊ ምምሕዳር ዘለዋ ሃገር ምስ ሰሜን ኮርያ ነዊሕ ዝጸንሐ ዝምድና ኣለዋ። ኣብ መጀመርታ 2000 ሰብ መዚ ሰሜን ኮርያ ዝለዓለ ዋጋ ዘለዎ \"ሱፐርዶላርስ\" ተባሂሉ ዝጽዋዕ በዓል 100 ኖት ዶላር ኣመሪካ ብዘይሕጋዊ መገዲ ከዘዋውሩ ኣብ ማካኡ'ዮም ተታሒዞም። እዚ ገንዘብ ኣብ ሰሜን ኮርያ ከም ዝተሓተመ ሰብ መዚ ኣመሪካ ይገልጹ። እዚ ገንዘብ ዘመሓላለፈሎም ባንኪ ከኣ ኣብ ትሕቲ ማዕቀብ ኣመሪካ ዝነበረ ባንኪ ኮይኑ ምስ ስርዓት ሰሜን ኮርያ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ይእመን። ብተወሳኺ ብ1987 115 ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ ቦንባ ዝፈጸመ ሰላሊ ሰሜን ኮርያ ኣብዛ ሃገር እዩ ስልጠና ወሲዱ። ሓው ንኪም ጆንግ-ኡን ኪም ሎንግ-ናም ብስደት ንዓመታት ዝነበረላ'ውን ማካኡ እያ። ስለዚ እቲ ካብ ባንኪ ባንግላድሽ ተሰሪቑ ብፍሊፕንስ ዝተመሓላለፈ ገንዘብ ምስ ማካኡ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ዝገልጹ ሓበሬታታት ክወጽኡ ጀሚሮም። ኣብ ሶላሪ እቲ ናይ ጠላዕ መደብ ዝወደቡ ሰባት ካብ ማካኡ ምዃኖም ይፍለጥ። ክልተ ናይ ብሕቶም መጣልዒ ክፍሊ ክትሓዘሎም ዝገበሩ ኩባኒያታት'ውን ማእከሎም ማካኡ ኮይኑ። መርመርቲ ኣብዝሓ እቲ ዝተሰረቐ ገንዘብ ናብ ሰሜን ኮርያ ቅድሚ ምኻዱ ኣብዛ ንኡሽቶ ግዝኣት እዩ ነይሩ ኢሎም ይኣምኑ። ሓደ ምሸት ብናሳ ብዝተወስዱ ምስሊታት ሰሜን ኮርያ ኣዘራራቢት ትኸውን። ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል እታ ሃገር ሕጽረት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ስለ ዘሎ እቲ ናሳ ካብ ህዋ ዝወሰዶ ምስሊ ሰሜን ኮርያ ጸሊም ሃጓፍ [ብላክ ሆል] ስለ ዘምሰላ'ያ ተወዓዊዓ። ብኣንጻሩ ጎረቤታ ደቡብ ኮርያ ቀትሪ ይኹን ለይቲ መብራህቲ ዘይጠፍኣ ብርሃን ሃገር እያ። ሰሜን ኮርያ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ድኻ ሃገራት ኣብ መበል 12 እትስራይ ኮይና ዓመታዊ ሓፈሻዊ እቶት ሓደ ውልቀሰብ እታ ሃገር 1700 ዶላር ጥራሕ እዩ። እዚ ካብ ሴራሊዮንን ኣፍጋኒስታንን ዝተሓተ ምዃኑ ሲኣይኤ ይገልጽ። እዚ'ውን ኮይኑ ግን ሰሜን ኮርያ ኣብ ዓለም ኣለው ዝብሃሉ ኣዝዮም ከበድቲ ሰርሰርቲ እተፍሪ ሃገር እዩ። ከመይን ብኸመይን ዝብል ብምርዳእ፡ ሰሜን ኮርያ ኣዝዮም ዝተራቐቑ ናይ ሳይበር ክኢላታት ብምሓዝ፡ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ዝኾኑ ሰባት እነሆ ካብ 1948 ጀሚሩ ነታ ሃገር ይገዝኡዋ ኣለው። መስራቲ እዛ ሃገር ዝኾነ ኪም ካልኣይ-ሳንግ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ህዝብታት ኮርያ ኢሉ ክምስርታ እንከሎ ፖለቲካዊ ስርዓቱ ዚያዳ ናብ መስፍናዊ ዝቐርብ ነይሩ። ወዱ ኪም ጆንግ-ኢል ስልጣኑ ኣብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዘጽዓቐ ክኸውን ብምግባሩ፡ ንኣመሪካ ባላስቲክ ሚሳይልን ኒኩለር ብምውንጫፍ ይተዃቱኳ ነይሩ። ነዚ ዝኸውን ገንዘብ ንምርካብ እቲ ስርዓት ኣዝዩ ናብ ዝተሓላለኸ መገዲ ፋይናንሳዊ ምንጪ ከም ዘእተዋ ኣመሪካ ትገልጽ። ብተወሳኺ ኪም ጆንግ-ኢል ሳይበር ምስ ስትራቴጂ እታ ሃገር ክትኣሳሰር ክውስን እንከሎ ብ1990 ማእከል ኮምፒዩተር ኮርያ ከፊቱ። እዚ ሕምብርቲ ስርሒታት ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ እታ ሃገር ኮይኑ። ሳልሳይ ወዱ ንኪም ጆንግ-ኢል ኪም ጆንግ ኡን ብ2010 ወራሲ መንግስቲ ምዃኑ ምስ ተነግረ ነቲ ብዙሕ ዘይፈልጦ ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ምኩር ዝኾነን በሊሕ ኣእምሮ ዘለዎን ኣብ መበል 20ታት ዕድመ ዝርከብ መንእሰይ እዩ ዝብል ዛንታ ክንገረሉ ጀሚሩ። እዚ ጎስጓስ ትውልዲ እታ ሃገር ምእዙዝ ንክኸውን ዓብዪ ተራ ተጻዊቱ። መንእሰይ ኪም ብ2011 ናብ ስልጣን ምስ ደየበ [ኣቡኡ ምስ ሞተ] ንኣጽዋር ኒኩለር \"ክቡር ሰይፊ\" ኢሉ ክጽውዖ እንከሎ ነዚ ዝምውለሉ ፋይናንስ የድልዮ ነይሩ። እታ ሃገር ብ2006 ነዊሕ ባላስቲክ ሚሳይልን ኒኩለርን ምስ ኣወንጨፈት ኣብ ማዕቀብ ኣመሪካ ኣትያ እያ። ስለዚ ስርቂ መፍትሒ ኮይኑ ረኺባቶ ክብሉ ሰብ መዚ ኣመሪካ ይዛረቡ። እንተኾነ ኣብ ሰሜን ኮርያ ዘሎ ናይ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ክእለት ነታ ሃገር ምስቲ ዝተረፈ ክፋል ዓለም ክትትኣሳሰርን ዜጋታታ ካብታ ሃገር ወጻእ ዘሎ ኩነታት ዓለም እንታይ ይመስል ዝብል ክፈልጡን ኣይሓገዞምን። ስርዓት እታ ሃገር፡ ኣዝዮም ዝሰልጠኑ ክኢላታት ንክህልዎን ሙኩራት ፕሮግራመራት ኮምፒዩተር ንክምሃሩሉን ናብ ወጻኢ ሃገር [መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ቻይና] እዩ ዝልእኾም። ኣብዚ ዓለም ኮምፒዩተርን ኢንተርነትን ከመይ ትጥቀም ዝብል ይምሃሩ፤ እዚ ምስ ሸቐጣት፣ ጠላዕ፣ ንምርኻብን ንምዝንጋዕን ዝብሉ ዘጠቓለለ እዩ። ኣብዚ'ዮም ካብ ናይ ሒሳብ ክኢላታት ናብ ሰርሰርቲ ዝሰጋገሩ። መብዛሕትኦም መናእሰይ ኣብ ቻይና ኣብ ዝንቀሳቐሱ ትካላት ሰሜን ኮርያ ይነብሩን ይሰርሑን። \"ነፍሲ ወከፍ ስርሖም ንከይፍለጥ ጥንቁቓት'ዮም፤ ግን ሓሓሊፉ ልክዕ ከምቲ ካልእ ገበነኛ ገለ ክፍተት ይገድፉ'ዮም። ነዚ ተጠቒምና ናብ 'IP' ኣድራሽኦም ብምእታው ኣበይ ከም ዘለው ንፈልጥ\" ክብል ኣባል ኤፍቢኣይ ዝነበረ ክያንግ-ጂን ኪም ይዛረብ። ንሱ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ደቡብ ኮርያ ከተማ ሴኡል ብውልቂ መርማሪ ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ። እዞም ነዃላት'ዮም ድማ መርመርቲ ኣብ ሰሜን ምብራቕ ቻይና ሺንያንግ ናብ ዝርከብ 'ሆቴል' መሪሖዎም። እዚ ሆቴል ቺልቦሳን ተባሂሉ'ዩ ዝጽዋዕ። ጂንግ ኪም እዚ ሆቴል \"ኣብ ማሕበረሰብ ስለያ ኣዝዩ ፍሉጥ\" እዩ ነይሩ ክብል እንከሎ፡ ብ2014 ሰሜን ኮርያውያን ሰርሰርቲ ፈላማይ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ እንከለው ኣብዚ ሆቴል ነይሮም ተባሂሉ ይጥርጠር። ወደባዊት ከተማ ዳሊን - ንዓሰርተ ዓመት ፓርክ ጂን-ዮክ ሓዊሱ ብዙሓት ክኢላታት ኮምፒዩተር ዝነብሩላን ዝሰርሑላን ክትከውን ከም ዝጀመረትን ብርክት ዝበሉ ሰሜን ኮርያ እተመሓድሮም ትካላት ዝተኸፈቱላን ከም ዝኾነት ካብታ ከተማ ወጺኡ ዕቑባ ዝሓተተ የን ሰንግ-ሊ ይገልጽ። ሊ ኣብ ፒዮንግያንግ ተወሊዱ ዓብዩ። ንዓመታት ከኣ ኣብ ዳሊን ምስ መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ርክብ ምስ ነበሮ ነጋዳይ ኣቡኡ ተቐሚጡ። እቲ ስድራ ብ2014 ካብታ ወደባዊት ከተማ ክሳብ ዝወጽእ ኣብኡ ነይሩ። ንሱ ክሳብ ዝነበረሉ ግዜ ኣስታት 500 ሰሜን ኮርያውያን ኣብ ዳሊን ይነብሩ ነይሮም። ካብዚኦም እቶም 60 ፕሮግራመራት ነይሮም። ኣብ ሓደ ክፍሊ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሽዱሽተ ኮይኖም ከም ዝቕመጡን ብኡ ኣቡሎም እቲ መንበሪ ገዝኦም ናብ ቤት ጽሕፈት ቀይሮም ከም ዝሰርሑን ይዛረብ። ገለ ንበዓል ልደት ዝጽውዑዎ መናእሰይ እንታይ ከም ዝሰርሑ ኣርእዮምዎ፤ ብደለልቲ ኣቢለን ናብ ደቡብ ኮርያ ዝሽየጣ ናይ ሞባይል ጌም ኢና ንሰርሕ ኢሎምዎ። በዚ ኣብ ዓመት ሓደ ሚሊየን ዶላር ከም ዝርከቦ'ውን ነጊሮምዎ። ዋላ'ውን ሰብ መዚ ጸጥታ ሰሜን ኮርያ ዓይኖም ካብኦም ዝፈልዩ እንተዘይኮኑ ህይወቶም ግን ቁሩብ ነጻነት ነይሩዎ'ዩ። \"ኣብ ሰሜን ኮርያ ምስ ዘሎ ህይወት ክነጻጸር እንከሎ ነጻነት ዘለዎ ህይወት ስለ ዝነበረ፡ ኢንተርነት ተጠቒሞም ገለ ፊልምታት ከማን ይርእዩ ነይሮም\" ኢሉ ሊ። ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት፡ ሰርሳሪ ፓርክ ጂን-ዮክ ናብ ሃገሩ ክምለስ ነይሩዎ። ብ2011 ኤፍቢኣይ ዝረኸቦ ኢሜይል ኣብ ፒዮንግያንግ ዘላ ሕጽይቱ ክምርዖ ከም ዝደሊ ዝሓትት ነይሩ። ግን ድማ ኤፍቢኣይ ከም ዝብሎ ሓለፍቱ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ፣ ካሊፎርኒያን ሆሊውድን ዝርከቡ ከም ሶኒ ፒክቸርስ ዝበሉ ዓበይቲ ዓለማዊ ናይ ምዝንጋዕ ትካላት ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ክፍጽም ዝብል ንዕኡ ዝህቡዎ ካልእ መደብ ነይሩ። ብ2013፡ ሶኒ ፒክቸርስ ሓድሽ ፊልም ከም ዝሰርሕን ክኢላታቱ ናብ ሰሜን ኮርያ ከም ዝልእኽን ይገልጽ። እዞም ክኢላታት ናብታ ሃገር ብምኻድ ንኪም ጆንግ-ኡን ቃለ መጠይቕ ክገብርሉ እሞ ክቐትሉዎ ሲኣይኤ የእምኖም። በዚ ዝተሰናበደት ሰሜን ኮርያ ሶኒ ፒክቸርስ እዚ ፊልም እንተፈኒዩዎ ኣንጻር ኣመሪካ ሕነ ንምፍዳይ ስጉምቲ ከም እትወስድ ተሓንያ። ኣብ ሕዳር 2014 ናብ ሓለፍቲ እቲ ኩባኒያ \"ዘብዒ ሰላም\" ኢሎም ንርእሶም ካብ ዝጽውዑ ሰረቕቲ መልእኽቲ ኢሜይል ይበጽሖም። \"ከቢድ ሓደጋ ከነብጽሐልኩም ኢና\" ኢሉ ዘፈራርሕ መልእኽቲ'ዩ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ከኣ ኣዝዩ ዘፍርሕ ፊልም ኣብ ኮምፒዩተር ሰራሕተኛታት እቲ ኩባኒያ ይዝርጋሕ። እዞም ሰረቕቲ ንሶኖ ጽቡቕ ገይሮም ከፈራርሑዎ ጀሚሮም ኣለው። መሃያ ፈጸምቲ ስራሕ፣ ሚስጥራዊ ኢሜይላትን ካልኦትን ኣብ ኦንላይን ሰሊኾም ክወጽኡ እንከለው እቲ ኩባኒያ ኮምፒዩተራቱ ብቫይረስ እቶም ሰረቕቲ ስለ ዝተጠቕዐ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኑ። ሰራሕተኛታት ናብ ስርሖም ክኣትው ኮነ ካልእ ክገብሩ ኣይክኣሉን። ሶኒ እቲ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ብዘይተለመደ መልክዑ ክፍንዎ ምዃኑ ገሊጹ'ኳ እንተነበረ እቶም ሰረቕቲ ኣካላዊ መጉዳእቲ ከይተረፈ ከብጽሑ ከም ዝኽእሉ ብምፍርርሖም ኣይደፈረን። ቀንዲ ሲነማታት ነዚ ፊልም ኣይነርእይን ብምባለን እቲ ፊልም ኣብ ገለ ናይ ውልቂ ሲነማታት ጥራይ ተራእዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ ሶኒ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ግን ነቲ ኣብ 2016 ኣብ ልዕሊ ባንግላድሽ ዝተፈጸመ ስርቂ ኣፋፍኖት ዝኸፍት ኮይኑ። ባንግላድሽ ክሳብ ሕጂ 65 ሚሊየን ዶላር ዝኸውን ገንዘብ ክትምልስ ላሕ ትብል ኣላ። እቲ ሃገራዊ ባንኪ ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበሉ ትካላትን ሰራሕተኛታት ባንኪ ኣርሲቢሲን ሓዊሱ ስጉምቲ ይወስድ ኣሎ። እቲ ባንኪ ግን ዝኾነ ዓይነት ሕጊ ከም ዘይተመሓላለፈ ይካታዕ። ኣብ 2017 'ዋናክራይ' ዝተባህለ ስርቂ ገንዘብ ኣብ ዓለም ልክዕ ከም ባርዕ ጫካ ተላቢዑ ነይሩ። እቶም ሰረቕቲ ሰነዳት ግዳያት ብምሓዝ ገንዘብ ቤዛ ክኸፍሉዎም ብምሕታት ኣማኢት ዶላራት ናብ መኽዝኖም ክኣቱን እቲ ክፍሊት ብቢትኮይን ክኸውንን ይጠልቡ ነይሮም። ኣብ ብሪጣኒያ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ብኸፊል በዚ ዝተጠቕዐ ትካል እዩ። ምስ ኤፍቢኣይ ዝሰርሑ ዝነበሩ ብሪጣናውያን መርመርቲ እቲ ቫይረስ ንባንኪ ባንግላድሽን ሶኒ ፑክቸርስን ምስ ዘጥቅዐ ዝመሳሰል ከም ዝኾነ ገሊጾም። ኤፍቢኣይ ድማ ዘዚ ጉዳይ ዝኸፈቶ ክሲ ኣብ መዝገብ ፓርክ ጂን-ዮክ ክካተት ገይሩ። ክሲ ኤፍቢኣይ ልክዕ እንተኾይኑ ሰራዊት ሳይበር ሰሜን ኮርያ ሕጂ ክንደየናይ ብክሪፕሮካረንሲ ከም ዝደለበ ምግማት ይክኣል። ናይዚ ምኽንያት ነቲ ዝተለመደ ስርዓት ባንኪ ዝልውጥ ዝተራቐቐ ቴክኖሎጂ ዝሓትት ዲጂታላዊ ባጤራ እዩ። እንተኾነ 'ዋና ክራይ' መጀመሪ እዩ ነይሩ። ቀጺሎም ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ዓውዲ ቴክሎኖጂ ሰሜን ኮርያውያን ሰርሰርቲ ኣብ ከም ቢትኮይን ዝበሉ ክሪፕቶካረንሲታት ዘነጻጸረ ዕማም ከም ዝነበሮም ዘመላኽት ሓበሬታ ኣሎ። እዚ ተደሚሩ ልዕሊ ክልተ ቢሊየን ዶላር ስርቂ ክኸውን ይገብሮ። እቲ ክሲ ሕጂ'ውን ይቕጽል ኣሎ። ብለካቲት ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ኣመሪካ ካልኦት ክልተ ሰሜን ኮርያውያን ኣባላት ኣልኣዛር'ዮም ዝበሎም ጉጅለ ካብ ካናዳ ናብ ናይጄሪያ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብ ዝፍጽሙን ዝበሎም ከሲሱ ኣሎ።","category":"መኻዝን ዕዳጋ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57728707"} {"headline":"ቢል ጌትስን ብዓልቲ ቤቱ መሊንዳ ጌትስን 27 ዓመታት ኣብ ሓዳር ድሕሪ ምጽናሕ ተፋቲሖም","content":"ናይ ዓለምና ሃፍታም ቢል ጌትስን ብዓልቲ ቤቱ መሊንዳ ጌትስን ን27 ዓመታት ኣብ ሓዳር ድሕሪ ምጽናሕ፡ \"ድሕሪ ሕጂ ከም መጻምድቲ ኮይንና ብሓባር ክንዓቢ ኣይንኽእልን ኢና\" ብምባል ከምዝተፋትሑ ገሊጾም። ቢል ጌትስን መሊንዳ ጌትስን ኣብቲ ንምፍትሖም ዝገልጽ ብሓባር ኣብ ትዊተር ዝጸሓፍዎ \"ብዛዕባ ሓዳርና ነዊሕ ምይይጥ ድሕሪ ምክያድ፡ ክንፋታሕ ናብ ውሳነ በጺሕና\" ኢሎም። ንሶም፡ ኣብ 1980ታት፡ መሊንዳ ኣብቲ ብቢል ጌትስ ዝተመስረተ ማይክሮሶፍት ምስ ተጸንበረት'ዮም ተላልዮም። እዞም ቢልየነራት ዝኾኑ መጻምድቲ ሰለስተ ቆልዑ ወሊዶ ከምኡ'ውን 'ቢል ኤንድ መሊንዳ ጌትስ' ዝተብሃለ ትካል ግብረ-ሰናይ መስሪቶም። ትካል ግብረ-ሰናይ 'ቢል ኤንድ መሊንዳ ጌትስ' ኣብ ምጥፋእ ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ህጻናት ንኽኽተቡ ንምትብባዕን ቢልዮናት ዶላራት ዝመወለ ትካል እዩ። ቢል ጌትስ ብሃብቱ ካብ ዓለምና ኣብ ራብዓይ ደረጃ ዝስራዕ ከምዝኾነን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን 124 ቢልዮን ዶላር ከምዝውንን ፎርብስ ዘውጽኦ ጸብጻብ የረድእ። ቢል ጌትስ እቲ ኣብ 1970ታት ዝመስረቶ ካብ ዓለምና ዝዓበየ ናይ 'ሶፍትዌር' ትካል ዝኾነ ማይክሮሶፍት ብምፍራይ እዩ ቢልዮናት ዶላራት ከኻዕብት ክኢሉ። ቢል ጌትስን መሊንዳ ጌትስን ብሓባር ኣብ ትዊተር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ \"ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት፡ ሰለስተ ድንቂ ዝኾኑ ደቅና ከነፍርን ከነዕብን ክኢልና ኢና፡ እቲ ህዝቢ ጥዕና ንኽህልዎን ኣፍራዪ ንኽኸውን ኢልና 'ቢል ኤንድ መሊንዳ ጌትስ' ኢልና ዝመስረትናዮ ትካል ግብረ ሰናይ'ውን ኣብ መላእ ዓለም ውጽኢቱ ርኢናዩ ኢና\" ኢሎም። ብምስዓብ \"ቢል ኤንድ መሊንዳ ጌትስ' ንኽቅጽል ሓሳብ ክንውሃሃብን ብሓባር ክንሰርሕን ኢና፡ ኣብ ሓዳር ግን ብሓባር ክንቅጽል ከምዘይንኽእል ኣብ ምርድዳእ በጺሕና ኢና\" ኢሎም። እዛ ሕጂ ጓል 56 ዓመት ኮይና ዘላ መሊንዳ፡ ኣብ 1987 ኣብ ትካል ማይክሮሶፍት ማናጀር ናይ ክፍሊ ፍርያት ኮይና ምስ ተቆጸረት፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ኣብ ኒው ዮርክ ብስራሕ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ድራር መደብ ምስ ቢል ጌትስ ኣብ ሓደ ጣውላ ኮይኖም ተደሪሮም። ኣብታ ምሸት እቲኣ ብድራር ዝጀመረ ሌላ ናብ ውልቃዊ ርክብን ፍቕርን ማዕቢሉ። ቢል ጌትስ ብኔትፍሊክስ ኣብ ዝተዳለወ ጸብጻቢ ፊልሚ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ \"ንሓድሕድና ኣዚና ኢና ንተሓላለ ነይርና፡ ኣብ ቅድሜና ኸኣ ክልተ ኣማራጺታት እየን ነይረናና፡ ወይ ሓዳር ክንገብር ወይ ከኣ ክንፈላለ\" ኢሉ ነይሩ። መሊንዳ'ውን ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ቢል ገይት ኣዝዩ ቅጥዑ ዝሓለወን ንልቢ ኣገዳሲ ዝኾነ ብዓል ቤት ከምዘለዋ ገሊጻ ነይራ። ቢል ጌትስን መሊንዳን ኣብ 1994 እዮም ቃል ኪዳን ኣሲሮም። ኣብቲ ኣብ ደሴት ሃዋይ ዝተኻየደ መርዓ፡ ቢል ገይት ኣብ እዋን መርዕኡ ዘይተዓደሙን ዘየድልዩን ኣጋይሽ ኣብ ሰማያት ሃዋይ ከይበሩ፡ ንብምሉአን ናይ ሃዋይ ሄሊኮፕተራት ምስ ተኻረየን ኣብ እዋኑ ሓደ ካብ ዓበይቲ ዜናታት እዩ ነይሩ። ወዲ 65 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ቢል ጌትስ ኣብ ስራሓት ግብረ ሰናይ ኣቶኵሩ ንምስራሕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብገዛእ ፍቃዱ ካብ ኣባልነት ቦርድ ማይክሮሶፍት ከምዝተኣለየ ይዝከር። 'ቢል ኤንድ መሊንዳ ጌትስ' እንታይሰሪሑ?","category":"መኻዝን ዕዳጋ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56976916"} {"headline":"ዋጋ ቢትኮይን ብ 50 ሚእታዊት ከምዝነከየ ተገሊፁ","content":"ካብ እዋን ናብ እዋን ዋግኡ እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ቢትኮይን፡ ኣብዚ እዋን ሓደ ቢትኮይን ብ 34 ሽሕ ዳላር ኣሜሪካ ይሽየጥ ኣሎ። ኣሻያጢ ክሪፕቶካረንሲ ኮይንቤዝ፡ ቅድሚ ሽድሽተ ኣዋርሕ ሰማይ ዓሪጉ ዝነበረ ቢትኮይን፡ ሕዚ ዋግኡ ብ 50 ሚእታዊት ምንካዩ ሓቢሩ። ኣብ መላእ ዓለም ብፅሒታት ዕዳጋ (መኻዝን ዕዳጋ) ምንካዮም ስዒቡ እዩ ኣብ ዕዳጋታት ክሪፕቶካረንሲ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ቢትኮይን ነክዩ። ዋጋ ክሪፕቶካረንሲ ምስ ናይ ዓለም ዕዳጋ ተዛሚዱ ዋግዙ ክብ ለበጥ ክብል ይረኣይ። ቢትኮይን ብ650 ቢልየን ዳላር ጠቕላላ ዋጋ፡ ሲሶ ናይ ዓለምና ጠቕላላ ክሪፕቶካረንሲ ብፅሒት ይሕዝ። ኣብዚ እዋን ቢትኮይን ኣብ ሓደ ሓደ ሃገራት ሓዊሱ ወግዓዊ መተዓዳደጊ ይኸውን ኣሎ። ኣብዚ ቅነ ኣብ ማእኸላይ ኣፍሪቃ ሪፐብሊክ ወግዓዊ መተዓዳዳጊ ኮይኑ'ሎ። ኤል ሳልቫዶር፡ ቢትኮይን ወግዓዊ መተዓዳዳጊ ብምግባር ኣብ ቅድሚት ትስራዕ ኮይና፡ ንኣይኤምኤፍ ሓዊሱ ሰብሞያ ቁጠባ ንውሳነ እታ ሃገር ነቒፎም ነይሮም። ክሪፕቶካረንሲታት ንውልቀሰባት ዝህብዎ ነፃነት ከምዘሎ ኮይኑ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተረኸበ ገንዘብ ሕጋዊ ገይርካ ምቕራብ ዘኽእሉ እዮም። ቢትኮይን ፍሉይ ዝገብሮ ከምቲ ኣብ ጁባና ሒዝናዮ እንኸይድ ባጤራ (ቅርሺ) ዘይኮነስ፡ ኣብ መርበብ ኢንተርነት (ኦንላይን) ዝውህለል ገንዘብ ምዃኑ ይፍለጥ። እቲ ካልእ ንቢትኮይን ሓዊስካ ኩሎም ክሪፕቶካረንሲታት ፍሉይ ዝገብሮም ብመንግስትን ማእከላይ ባንክታትን ዘይምእከሉን ቀጥታዊ ምቁፅፃር ዘይግበረሎምን ምዃኖም'ዩ። ካብ ቢትኮይን ቀፂሉ ዓብይ ዕዳጋ ዝሕዝ ኢቲሪየም'ውን፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ብ 10 ሚእታዊት ዋግኡ ነክዩ'ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣሜሪካ፣ ዓባይ ብሪጣንያን ኣውስትራልያን ናይ ዝርከብአን ብዙሓት ባንክታት ዓለም ዝቕባባ ዋጋ ንምቁፅፃር ዋጋ ወለድ ክብ ኣቢለን ነይረን። እዚ ድማ፡ ልቓሕ ዝወስዱ ሰባት፡ ናይ ዝወስድዎ ልቓሕ መጠን ወለድ ክውስኽ ኣገዲዱ። ብዙሓት ኣውፈርቲ ዝቕባበ ዋጋን ምውሳኽ መጠን ወለድን፡ ኣብ ቁጠባ ዓለም ኣሉታዊ ፅልዋ ከሕድር እዩ ዝብል ስግኣት ኣሕዲርሎም ኣሎ።","category":"መኻዝን ዕዳጋ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/61382471"} {"headline":"ኣብ እዋን ኮቪድ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ሚልዮነራት ክኾኑ ከምዝኸኣሉ ብመጽናዕቲ ተረጋጊጹ","content":"ዓለም ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ከቢድ ቁጠባውን ጥዕናውን ጸገማት ኣብ ዝተሸመመትሉ ኣብ 2020 ልዕሊ 5 ሚልዮን ሰባት ሚልዮነራት ክኾኑ ከምዝኸኣሉ ብመጽናዕቲ ተረጋጊጹ። እቲ ብክረዲት ሲዩስ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣብ 2020 እቶም ድኻታት ዝነበሩ ናብ ክቱር ድኽነት ከምርሑ እንከለዉ፡ ቁጽሪ ሚልዮነራት ግን ብ5.2 ሚኢታዊት ብምውሳድ ብደረጃ ዓለም ቁጽሪ ሚልዮነራት 56.1 ሚልዮን ምብጽሑ የረድእ። ዋጋ ገዛውትን ዝተኸዘነነ ንብረትን ብናህሪ ስለዝወሰኸ፡ ኣብዚ ጽላት እዚ ካብ ዘውፈሩ ሰባት ብዙሓት ኣብ 2020 ሚልዮነራት ክኾኑ ከምዝኸኣሉ ኸኣ እቲ መጽናዕቲ ይሕብር። እቲ መጽናዕቲ፡ ካብቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝሰዓበ ዓለማዊ ቁጠባዊ ቅልውላው፡ ኣብ 2020 ብዙሓት ጸብለል ኢሎም ከምዝወጽኡን ሚልዮነራት ከምዝኾኑን እዩ ዘረድእ። ጸሓፊ ግሎባል ዌልዝ ሪፖርት ኣንቶኒ ሾሮክ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ \"ኣብ ዓለማዊ ቁጠባ ተሪርን ሓጺርን ጽልዋ ነይርዎ\" ድሕሪ ምባል ኣብ መወዳእታ ሰነ 2020 ከምዝተቐየረ ይሕብር። \"ብደረጃ ዓለም ገንዘብ ዘኻዕብቱ ሰባት ከምቲ ኣብ መጀመርታ ደው ዝበልዎ ደው ኣይበሉን ኣብ ካልኣይ ፍርቂ ዓመት ቁጽሮም ብናህሪ'ዩ ወሲኹ\" ይብል። ኣብ 2020 ናይ ደቂ ሰባት ናይ ሃብቲ ፍልልይ ዓቢ ጋግ ከምዝፈጠረ ዝሕበር ኣንቶኒ ሾሮክ: ኣብ 2020 ብዙሓት ሓደሽቲ ሚልዮነራት ንኽፍጠሩ ናህሪ ዋጋ ገዛውቲ ቀንዲ ሮቋሒ ምንባሩ'ዩ ዝገልጽ። ኣንቶኒ ሾሮክ፡ ብደረጃ ዓለም ሃብቲ ደቂ ሰባት ብ7.4 ሚኢታዊት ከምዝወሰኸ ብምግላጽ፡ እንተኾነ እቲ ወሰኽ ናይ ሃብቲ ብደረጃ ብዝሒ ዓለም ክረአ እንከሎ ኣብ ኣዝዮም ውሑዳት ሰባት ዝተሓጸረ ምዃኑ እዩ ዝሕብር። ኣብ መጀመርታ 21 ክፍለዘመን ካብ 10 ሽሕ ክሳብ 100 ሽሕ ዶላር ቅሙጥ ገንዘብ ናይ ዝነበሮም ሰባት ብዝሒ ብሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ፤ ኣብ 2000 ዓ.ም፡ 507 ሚልዮን ዝነበሩ ኣብ 2020 ግን 1.7 ቢልዮን ከምዝበጽሑ እቲ ዝተካየደ መጽናዕቲ ይሕብር። እቲ ምኽንያት ኣብ ከም ብዓል ቻይና ዝምዝገብ ዘሎ ቁጠባዊ ብልጽግናን ኣብ ምምዕባል ኣብ ዝርከባ ሃገራት ብዙሓት ሰባት ናብ ማእከላይ እቶት ናብ ዝብሃል ደረጃ ስለዝደየቡ እዩ። ኣብ ክረዲት ሱዩሰ፡ ላዕለወይቲ ሓላፊት መጽናዕቲ ወፍሪ ዝኾነት ናነዝ ሃቸር ፋይድሀርብ \"መንግስታትን ባንክታትን ነቶም ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተሃሰዩ ውልቀሰባት መጠን ወለድ ብምጉዳል ገንዘብ ብምዱጓምን ብዙሕ ሓገዛት ከምዝገበራ ዘይከሓድ ኮይኑ፡ እቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክስዕብ ዝኽእል ዝነበረ ዓቢ ቁጠባዊ ቅልውላው ኣብ ምጉዳል ዓቢ ግደ ነይርዎ'ዩ\" ኢላ። ብምስዓብ \"ባንክታት መጠን ወለድ ብምጉዳለን ዋጋ ገዛውቲ ክውስኽ ክኢሉ፡ ዋጋ ገዛውቲ ምውሳኹ ኸኣ እቶም ኣብ ህንጻን መሸጣ ገዛውትን ዝተዋፈሩ ሰባት መጠን ሃብቶም ክውስኽ ክኢሉ\" ትብል።","category":"መኻዝን ዕዳጋ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57578371"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ: ንገንዘቦም ገንዘብ ከፊሎም ክረኽቡ ዝግደዱ ዘለው ተጋሩ ስድራቤታት","content":"ኑረዲን* ሓደ ካብቶም ብሸነኽ እቶም ክልል ኣምሓራ ምስ ትግራይ ዝዋሰነሎም ከባቢታት ኮይኑ እቲ ገንዘብ ናይ ምልኣኽ ስራሕቲ ዘሳልጡ ደለልቲ እዩ። እቲ ገንዘብ ብሰባ ሰብን ስልክን ከም ዝበጽሖ ዝዛረብ ኑረዲን፡ እዚ ስራሕ፡ ኣብ ትግራይ ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት ብምኻድ ይኹን ኣብኡ ምስ ዘለው ሰባት ብምትሕብባር ከም ዝሰርሖ ይገልጽ። \"ኣነ ዝልእኸለይ ሰብ ኣይፈልጦን ዝቕበለኒ እውን ኣይፈልጦን፤ ብእምነት ኢና ንሰርሕ። ናብ ኣላማጣ፣ መቐለ ወይ ውቕሮ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብ ገጠራት ብእግረይ ክሳብ ሸሞንተ ሰዓት ተጓዒዘ ዘብጻሕኩሎም ስድራ ኣለው። ሰብ ኢና ነድሕን ዘለና\" ይብል። ዝኾነ ኣብ ትግራይ ናብ ዝርከቡ ኣባላት ስድርኡን መሓዙቱን ገንዘብ ክልእኽ ናብቶም ካብ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ፣ ዓፋር፣ ኣላማጣን መቐለን ዘለው ደለልቲ ቴሌፎን ብምድዋል፡ ተቐበልቲ ናይ ዝነብርሉ ወይ ክርከብሉ ይኽእሉ'ዮም ዝብሎ ቦታ ዝርዝር ሓበሬታ ክህብ ከም ዘለዎ ኑረዲን የረድእ። \"እዚ፡ ናይ ገዛ ወይ ብሎክ ቑጽሪ ክኸውን ይኽእል'ዩ፤ ንሕና ክኣ ናይቲ ተቐባሊ ሽምን መለለዪ መንነትን ርኢና ንህቦም። ነዚ ሒዝና እቲ ገንዘብ ብምብጻሕ ኣገልግሎት ንህብ ኣለና። ተመላሊስና ዘይክንረኽቦም እውን ግን ይህልው እዮም። ስልኪ የለን፣ ብኣካል'ውን ኣይንፈልጦምን፤ ክቕበሉና እንከለው ግን ንተኣማንነት ቪድዮ ቀሪጽና ናብቲ ለኣኺ ንሰድድ፤ ብኡ ኣቢልና ሰላምታ እውን ነብጽሕ\" ኢሉ። ዓሚ 28 ሰነ 2021 ካብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ነባሪ ከተማ መቐለ ድንግርግር ኢሉዎ ካብ ሓደ ጫፍ ናብቲ ካልእ ዝጓየይ፣ ሎሚኸ እንታይ'ዩ ክፍጠር ኢሉ ዝሻቐል ብዙሕ ነይሩ። ዕጡቓት ወተሃደራት ሰራዊት ብየማነ ጸጋም እንትጓየዩ፣ ትካላት ንግዲ፣ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስትን ካልኦት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላትን ተዓጽዮም፡ ሲቪላት ናብ ገዝኦም ክኣትው ጸደፍደፍ ይብሉ ነይሮም። ነባሪት ኣዲስ ኣበባ ዝኾነት፡ ኣደ ክልተ ቈልዑ ትርሓስ ሃይሉ፡ ኣብ ትግራይ ናብ ዘለው ስድራቤታ ገንዘብ ንምልኣኽ ናብ ባንኪ ዝኸደትሉ መዓልቲ'ውን ሽዑ ምንባሩ ትዝክር። \"ካብ ስራሕ ውጽእ ምስ በልኩ ብቐጥታ ናብ ባንኪ ከይደ እተን ዝነበራኒ እየ ኣእቲወሎም። ናብ ገዛይ ምስ ተመለስኩ ዝናፈስ ዝነበረ ሓበሬታ ግን ኣሰንቢዱኒ፤ ሕዚኸ እንታይ'ዩ ክፍጠር ኢለ ሰጊአ። ድሕሪኡ ባንኪ ስለ ዝተዓጽወ ግን ቤተሰበይ ገንዘቦም ክረኽቡዎ ኣይክኣሉን\" ትብል። ሓይልታት ትግራይ፡ ሃንደበት ንከተማ መቐለ ዳግም ክቆጻጸሩዋ እንከለው፡ መንግስቲ ፌደራል \"በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ\" ኣዊጁ ካብቲ ክልል ከም ዝወጽአ ገሊጹ። ንሒደት ኣዋርሕ መሰረታዊ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሮም ዝነበሩ ትካላት [ባንኪ፣ ቴሌፎንን ኤሌክትሪክን] ድማ ተቛሪጾምን ተዓጽዮምን። በዚ ምኽንያት፡ እቲ ክልል ኣብ ዘይእውጅ ዕጽዋ ክኣቱ እንከሎ፡ ብዙሓት ስድራቤታት ገንዘብ ንምርካብ ተጸጊሞም፤ ንኻልኦት ማሕበረ ቁጠባዊ ጸገማት'ውን ተቓላዕቲ ዀይኖም ይርከቡ። ' . . .ብዙሕ ሰብ'ዩ ዝበኪ ዘሎ' ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ ትግራይ ብሕጋውነት ዝሰርሕ ፋይናንሳዊ ትካላት ስለ ዘየለው፡ እቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ስድራቤቶም ገንዘብ ክበጽሖም ዝደለዩ ካብቲ ክልል ወጻእ ዝርከቡ ውልቀሰባት፡ ስሩዕ ብዘይኮነ መገዲ ገንዘብ ዝልእኹ ሰባት ይጥቀሙ ኣለው። ትርሓስ ሓንቲ ካብኣቶም'ያ። እዞም፡ ገንዘብ ተቐቢሎም ኣብ ትግራይ ናብ ዘለው ሰባት ዝልእኹን ዘብጽሑን ውልቀሰባት ድማ ካብ 20 ክሳብ 40 ሚኢታዊት፡ ካብቲ ናብ ባንኪ ሒሳቦም ኣታዊ ዝኸውን ገንዘብ ቈሪጾም ይወስዱ። እዞም ልኣኽቲ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ጀሚሩ ክሳብ ክልላት ኣምሓራ፣ ዓፋርን ትግራይን ዝተዘርግሑ ኮይኖም ካብ 'እምነት' ወጻእ ካልእ ኣብ ሞንጎ እቲ ዝልእኽ ኮነ ዘብጽሕ ዝእቶ ውዕል ወይ ካልእ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ከም ዘየሎ ይዛረቡ። ኣብዚ ናይ ድለላ ስራሕ በይኑ ከም ዘይሰርሕ ዝዛረብ ኑረዲን፡ እቲ ዝልኣኽ ገንዘብ ንምብጻሕ 30\/ 40 ሚኢታዊት ዓስቢ [ኮሚሽን] እናኽፈሉ ተመሳሳሊ ስራሕ ዝሰርሑ ኣካላት እንተሃለው'ውን ንሱ ግን 20 ሚኢታዊት ጥራይ ከም ዘኽፍል ይዛረብ። ምኽንያቱ ከብርህ እንከሎ ድማ፡ እቲ ገንዘብ ካብ ባንኪ ወጺኡ ክሳብ ኣብ ኢድ ተጠቀምቲ ዝበጽሓሉ ዘሎ ሰንለሰት ኣዝዩ ዝተሓለለኸ፣ ሓደገኛን ብዙሓት ተኻፈልቲን ዘለውዎ ስለ ዝኾነ'ዩ ኢሉ። \"ኩሉ እንወስዶ ኮሚሽን ናብ ጁባና ዝኣቱ ኣይኮነን። ሓደ፡ ገንዘብ ካብ ባንኪ ክወጽእ እንከሎ ንብዙሕ ሰብ ኢኻ ተውጽእ፤ ስለዚ ንሶም'ውን ናይ ሻሂ ይደልዩ'ዮም። ብተወሳኺ፡ ናብ ትግራይ ብዙሕ ገንዘብ ሒዝካ ምንቅስቓስ ከቢድን ብዙሕ ማሕለኻታት ዘለዎን'ዩ። ነዚኦም ብገንዘብ ኢኻ እናሸፈንካዮ ትኸይድ። \"ካብ 10 ሽሕ 500 እያ እንተበጽሐትና፤ ዝተረፈ ነቶም ካልኦት ማሕለኻታት መሸፈኒ'ዩ ዝውዕል። ከምኡ ኢልና'ውን ግን ህይወት ሓደ ሰብ'ውን እንተኾነ ነድሕን ኢና፤ ብጣዕሚ'ዩ ዝገርመኪ ኣብኡ [ትግራይ] ሰብ ይበኪ'ዩ ዘሎ፤ ገንዘብ እናሃለዎ ይጠሚ'ዩ ዘሎ'ዩ\" ይብል ኑረዲን። እዚ ሰንሰለት፡ ኣዝዩ ሓደገኛን ኣካላት ጸጥታ መንግስትን ምምሕዳርን ቁጽጽር ዝገብርሉ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ገንዘብ ብመንግስቲ ወይ ኣካላት ጸጥታ ናይ ምውራስ፣ ተሳተፍቲ እዚ ዘይሕጋዊ ስራሕ ናይ ምእሳር ሓደጋታት ከጋጥሙ ይኽእሉ'ዮም። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ቤት ጽሕፈት ኮምዩኒኬሽን ምምሕዳር ከተማ ቈቦ፡ በታ ከተማ ኣቢሉ \"ናብ ወራሪ ጁንታ ክበጽሕ ዝተተለመ ሰለስተ ሚሊዮን ብር\" ብሓይልታት ጸጥታ ኣብ ቁጽጽር ውዒሉ ክብል ብፌስቡክ ገሊጹ ነይሩ። ብተመሳሳሊ፡ ብከተማ ሰቘጣ \"ናብ ህወሓት ዝሓልፍ ዝነበረ ሓሙሽተ ሚሊዮን ብር\" ከም ዝተትሓዘን 20 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተውን ዝብል ሓበሬታ፡ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግኽምራ ምግላጹ ይዝከር። እዞም ሓበሬታታት ከም ዝሰምዖም ዝዛረብ ኑረዲን ግን፡ \"ንሕና ናብ ሰባት ኢና ነብጽሖ ዘለና፤ ኣብ ሞንጎ እዚ ገንዘብ ናይ ምውራስ ጥራይ ዘይኮነ ከንእሰር ወይ ካልእ ሓደጋ ክበጽሐና ከም ዝኽእል እናፈለጥና ኢና ንሰርሕ ዘለና። ዝጠመዩ ሰባት ኣለው። ብዙሓት ስድራቤታት ዝተወሰነ ነገር ክረኽቡ እንከለው ወላሂ እናበኸዩ እዮም ዘመስግኑና\" እዩ ዝብል። ገንዘቦም ንምቕባል ገንዘብ ምኽፋሎም ዘሕመሞም ነበርቲ ኣብ መፋርቕ እዚ ወርሒ፡ ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝርከቦም ኣመሓደርቲ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዘካየዱዎም ህዝባዊ ዋዕላታት የካይዱ ነይሮም። ኣብዞም መድረኻት፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት በብቦትኡ መረረቶም ዘስምዑ ኾይኖም፡ እቲ ዝተልኣኸሎም ገንዘብ ንምቕባል ዝኸፍሉዎ ሓደ እዩ። ሓደ ነባሪ ከተማ መቐለ፡ 'ወለደን ክሓልፈለይ ኢሎም፡ ገዛ ኣትሒዞም ንወጻእ ዝሰደዱወን ቈልዑ፡ ሕዚ ኣቦታተን ተዓጽዮም ኣብ ዓዲ ጓና ኮይነን ሓዊ ተቓጺለን ዘምጽእኦ ገንዘብ ናብ ወለደን ገንዘብ ይልእኻ ኣለዋ። ነዚ ግን፡ ኣብ ኣላማጣ 35 ሚኢታዊት ይኽፈሎ ኣሎ። ኣሻሪፎም ድማ ካብ 100 ኣርብዓ ቀንዩ። ንዓኣ ሰጊሮም ድማ ናብ ፍርቂ ኣትዮም ኣለው። ሰብ ድኣ እንታይ'ዩ ክበልዕ። አረ ሕጊ ይውረዶ!' ክብሉ መረረቶም ኣስሚዖም ነይሮም። ካልእ ነባሪት'ውን፡ \"40\/60 ዝብሃል ተጀሚሩ፤ 10 ሽሕ ተሰዲዱልካ ሽዱሽተ ሽሕ ትቕበል፤ ነጋዶ ንምንታይ'ዮም ዝፍርሑ? ኣደ ዝጠመየ ቈልዓ ሒዛ ኣብ ቴሌቪዥን እናርኣዩዋ እንድሕር ዘየሕሞም፡ እንታይ እዩ ኮይኑ መንግስቲ ዘይርእዮ?\" ክትብል ሓቲታ። ነዚ መሰረት ብምግባር፡ መንግስቲ እቲ ክልል ነቶም ኣብታ ከተማ ተዋፊሮም ዘለው ሰባት ስጉምቲ ዝወስደሉ፣ እቲ ዕጽዋ ዝልዓለሉን ስሩዕ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝረኽብሉን መገዲ ክፈጥር ይጠልቡ ነይሮም። ስድራቤታት፡ ነቲ ዝተልኣኸሎም ገንዘቦም ክሳብ 40 ሚኢታዊት ከፊሎም ክረኽቡዎ ይግደዱ ምህላዎም እኳ እንተሕመሞም፡ እቲ ዝሕተትዎ ዘለው ክፍሊት ፍትሓዊ ከም ዘይኮነ ከም ዝርድኦም ዝዛዘረቡ ልኣኽቲ ግን ኣብ ጸገም ዘሎ ቤተሰብና ክንበጽሓሉ እንኽእል ብሕታዊ ኣማራጺ እዩ ይብሉ። ናተይ ልምዲ ብዓፋር ዝልእኹ ሰባት እዮም ዝብል ሰመረ ገብረማርያም፡ ኣብ ቀረባ 25 ሚኢታዊት ከፊሉ ናብ ትግራይ ከም ዘልኣኸ ይዛረብ። \"እቲ ዝኽፈል ይውሓድ ይብዛሕ፡ ሃረጻ ብዝመስል መልክዑ ብዙሕ ገንዘብ ኢና ንኸፍል ዘለና። ግን ካልኦት ኣማራጺታት ተዓጽዮም'ዮም ዘለው፤ ባንኪ የለን። ስለዚ ቤተሰብ ገንዘብ ስኢኑ ብጥምየት ካብ ዝመውት '40 ሚኢታዊት ተቘረጹ'ውን ምልኣኽ ይሓሽ' ካብ ዝብል ዓቕሊ ጽበት ኢና ንጥቀመሉ\" ይብል። እቲ ኩነታት፡ ብሰንኪ እቲ ዳርጋ ንሓደ ዓመት ዝቐጸለ ዕጽዋ ዝተፈጥረ'ዩ ዝብል ሰመረ፡ ነዚ መንግስቲ ክንቀፈሉ ይግባእ ኢሉ ይኣምን። \"ኣብ ትግራይ ዘለው ቤተሰብ ገንዘብ ከፊልና ገንዘብ ንልእኸሎም ከም ዘለና ስለ ዝፈልጡ ይሕሞም'ዩ። ገለ ንስኻኸ እንታይ ክትኸውን ኢሎም ዝመለሱ ስድራቤት ኣለው። ሰብ ክኣ ኣብ ዕጽዋ ይጠሚ ኣሎ\" ኢሉ። ኣብ ትግራይ እቲ ዕጽዋ ክሳብ መዓዝ'ዩ ከምዚ ኢሉ ክቕጽል ዝብል ናይ ህዝቢ መረረት ብዝተፈላለየ መልክዑ ይግለጽ'ዩ ዘሎ ዝብል ሽሙ ክጥቀስ ዘየፍቀደ በዓል ሞያ ገበንን ድሕነትን፡ እቲ ሰንሰለት መልኣኺ ገንዘብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ወልዲያ፣ ዓፋር፣ ትግራይ ዝበጽሑ ሰባት ዝተዋፈርሉ ምዃኑ ይገልጽ። ብመንጽር እቲ ዘለዎ ተሞክሮ ገበን ፋይናንስ፡ ከምዚ ዝበለ ውዱብ \"ናይ ገበን ጉጅለ\" ካብ ዘይሕጋዊ ኢኮኖሚ ወይ ቢዝነስ ዘይሕጋዊ ረብሓን ፋይናንሳዊ ጥቕሚ ምርካብን ዕላማ ዝገበረ ምንቅስቓስ ከም ዝገብር ይዛረብ። እዚኦም፡ መንግስቲ ዘይሰርሖ ነገር ክህሉ እንከሎ ወይ ብናይ ምምሕዳር ሕጽረት ቀረብ ከቕርብ እንተዘይክኢሉ ዝፍጠሩ ጸገማት ምዃኖም'ውን የረድእ። \"ንኣብነት፡ ናብ ዝኾነ ከባቢ ቀረባት ክኣትው እንተዘይክኢሎም ኮንትሮባንዲስት ይኣትው፤ ንመንግስቲ ተኪኦም ይሰርሑ እሞ ከስቦም ይወስዱ። ከምዚ ዝበለ ጸገም ክፍጠር እንከሎ ክኣ፡ ተበለጽቲ ኣካላት ዝፍጠሩ። ዋላ'ውን ሰብ ኣማረጺ ክስእን ይገብሩ እሞ ናብ ናቶም ቢዝነስ ከይፎተኻ ትኣቱ። ኩሉ ነገር ኣብ ዝተዓጽወ ክኣ፡ ንገበነኛ ሂብካ ስራሕ ምስራሕ ልሙድ ይኸውን\" ይብል። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ትግራይ ሕጽረት ገንዘብን ካልኦት መሰረታዊ ቀረባትን ምህላው፤ እቲ ጠለብ ድማ ልዑል ምዃኑ ኣብ ከምዚ ዓይነት ስራሕቲ ንግዲ ዝዋፈሩ ውልቀሰባትን ነጋዶን ክበራኸቱ ምኽንያት ከም ዝኾነ'ውን ሰብ ሞያ ይዛረቡ። ይኹን'ምበር፡ መራሕቲ ትግራይ እንትርፎ ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ዘለው ካብቲ ክልል ወጻእ ንዘለው ኣካላት ክቆጻጸሩዎም ከም ዘይኽእሉ እቲ ክኢላ ገበንን ድሕነትን ይገልጽ። \"ሓደ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ከይቈጻጸሩዎ ወይ ዓቕሚ የብሎምን። ካልኣይ ግን የተባብዑዎ እዮም'ኳ እንተዘይበልኩ እቲ ኣማራጺ ህዝቢ የድሕን ስለ ዘሎ ግን ጠጠው ከብሉዎ ኣይኽእሉን። ካብኡ ሓሊፉ ግን ብልሽውና'ውን ክህሉ ይኽእል፣ መንግስቲ ዝኾነ ነገር ከይለዓሎ ካብ ምስጋእ ዝነቅል ክኸውን ይኽእል\" ኢሉ። መብዛሕትኦም ነዚ ኣማራጺ ተጠቒሞም ገንዘብ ዝልእኹ ዘለው ሰባት ግን፡ ህይወት ናይ ምድሓን ጉዳይ እዩ ብዝብል ብዓይኒ ዕሙተይ ኣብቲ ሰንሰለት ዝውውር ገንዘብ ከም ዝኣትው ይገልጹ። \"ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ 35 ሚኢታዊት ከፊለ ልኢኸ እየ፤ ከምኡ እንተዘይገይረ ግን ኣደይ ክትጠሚ'ያ። ኣብ ሓደጋ ንዘሎ ሰብ ክተድሕን ግሉኮዝ ግዛእ ተባሂልካ ዝተብሃልኻዮ ኢኻ ትኸፍል። ኩሉ ነገር ኣብ ዝተዓጸወሉ ድማ እዚ ህይወት ናይ ምድሓን ጉዳይ'ዩ\" ክብል ሽሙ ክንረቑሖ ዘይደለየ ወሃቢ ርኢይቶ ተዛሪቡ። ወሲኹ ድማ፡ \"ናይዚ ኩሉ መልዐሊ እቲ ዕጽዋ እዩ፤ ሰባት ንምንታይ ከምኡ ይገብሩ ኣለው እንተይልና ግን ስስዐ እዩ\" ኢሉ።","category":"መኻዝን ዕዳጋ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61602762"} {"headline":"ዲጂታላዊ ባጤራ፡ ምሩጽ ከንቲባ ኒውዮርክ መሃይኡ ብቢትኮይን ክኽፈሎ ጠሊቡ","content":"ሓድሽ ምሩጽ ከንቲባ ኒውዮርክ ኤሪክ ኣዳምስ፡ ናይ መጀመርታ ናይ ሰለስተ ወርሒ መሃይኡ ብዲጂታላዊ ባጤራ ቢትኮይን ክኽፈሎ ከምዝደልይ ኣፍሊጡ። እቲ ቅድሚ ሕዚ ኣዛዚ ፖሊስ ዝነበረን ኣባል ውድብ ዲሞክራትስን ኤሪክ ኣዳምስ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሉስ’ዩ ካልኣይ ፀሊም ከንቲባ ከተማ ኒውርዮክ ኮይኑ ተመሪፁ። ኣብ ዝመፅእ ሓድሽ ዓመት ፈረንጂ 2022 ድማ፡ ኣብዚ እዋን ንኒውዮርክ ከንቲባ ኮይኑ የገልግል ካብ ዘሎ ቢል ዴ ብላሲኦን መዝነቱ ክቕበል እዩ። ቢትኮይን ከም ናይ ወረቐት ገንዘብ (ባጤራ) ብባንክታት ዘይኮነስ፡ ኣብ መላእ ዓለም ብዝተኣሳሰሩ ኮምፒዩተራት ቁፅፅር ዝግበረሉን ኣብ ኢንተርኔት ዝሰፍርን ዘይድህሰስን ገንዘብ እዩ። ኤሪክ ኣዳምስ፡ መሃይኡ ብቢትኮይን ክኽፈሎ ዝጠለበሉ ምኽንያት፡ ኒውዮርክ “ማእኸል ኢንዳስትሪ ክሪፕቶካረንሲ” ንምግባር ካብ ዘለዎ ትልሚ ዘንቀደ ምዃኑ፡ብመገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ገሊፁ። ካብ ኤሪክ ኣዳምስ ወፃኢ፡ ከንቲባ ከተማ ሚያሚ ፍራንሲስ ሱዋሬዝ ’ውን፡ ዳግማይ ብከንቲባነት እንክምረፅ፡ ፈላማይ መሃይኡ ብቢትኮይን ክኽፈሎ፡ ብመገዲ ትዊተር ሓቲቱ’ዩ። እዚ ናይ ዓለምና ዝዓበየ ክሪፕቶካረንሲ ቢትኮይን ኣብ 2009 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዝተምሃዘ ኮይኑ፡ ዋግኡ ካብ እዋን ናብ እዋን ኣዝዩ ይውስኽ ኣሎ።","category":"መኻዝን ዕዳጋ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59175872"} {"headline":"ኣብ ኣሜሪካ ዝተሸጠት 1.3 ቢልዮን ዶላር እተሸልም ሎተሪ ክሳዕ ሕጂ ዋናኣ ኣይተረኸበን","content":"ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ኢሊኖይስ ዝተሸጠት 1.3 ቢልዮን ዶላር ተሸልም ሎተሪ ክሳዕ ሕጂ ነታ ትኬት ኣነ’የ ዓዲገያ ዝብል ከምዘይተረኸበ ኣወሃሃድቲ ‘ሜጋ ሚልዮን ፕራይዝ’ ገሊጾም። ኣብ ኣሜሪካ፡ እዛ ትኬት ብእተውህቦ ሽልማት ኣብ ካልኣይ እያ ትስራዕ። ነዚ ሽልማት ዝተዓወተ ክልተ ኣማራጺ እዩ ዝወሃቦ። ብቐጥታ ሽዑን ንሽዑን ብካሽ 780.5 ሚልዮን ዶላር ክወስድ፡ ወይ ከኣ ንብምሉኡ እቲ 1.3 ቢልዮን ዶላር ኣብ 29 ዓመታት ክወሃቦ። እቲ ብዓርቢ ዝወጽአ ዕጫ ኣብ ሓንቲ ትኬት ክሳብ 300 ሚልዮን ዶላር ዘሸልም ዕጫታት’ውን ነይርዎ’ዩ። እዛ ናይ ሎሚ ዓመት ሎተሪ ኣብ ኣሜሪካ ብእተውህቦ መጠን ሽልማት ገንዘብ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትስራዕ ኰይና፡ ኣብ 2018 ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ኣገባብ፡ 1.537 ቢልዮን ዶላር ዘሸለመት ትኬት እታ ዝበዝሐ ገንዘብ ዘሸለመት ተባሂላ ኣብ መዝገብ ሰፊራ ኣላ። እታ ትኬት ኣብ ደቡብ ካሮላይና’ያ ተሸይጣ ነይራ፣ ሓደ ሰሙ ዘይተገለጸ ውልቀሰብ ኸኣ ተዓዊቱላ። እንተዀነ ኣብ 2016 ሰለስተ ሰባት ዝተዓወቱላ ትኬት እታ ዝበዝሐ ሰልዲ ዝሓቘፈት ኰይና፡ እቶም ሰለስተ ዕዉታት ነቲ 1.586 ቢልዮን ዶላር ኣብ መንጐኦም’ዮም ተማቒሎም። እታ ብዓርቢ ዝወጽአት ዕጫ፡ ቍጽራ 13፡ 36, 45፡ 57፡ 67 ኰይኑ እታ መዐወቲት ናይ መወዳእታ ቍጽሪ 14 እያ። መርበብ ሓበሬታ ‘ሜጋ ሚሊዮንስ’ ነታ ኣብ ግዝኣት ኢሊኖይስ ዝተሸጠት ትኬት፡ ሓደ ሰብ ከምዝተዓወተላ ብምግላጽ፡ ክሳብ ሕጂ ኣነ’የ ተዓዊተ ዝብል ሰብ ከምዘይተረኸበ ኣብ ገጻቱ ኣስፊሩ ኣሎ። ኣብ መጀመርታ መጠን ሽልማት ክሳብ ክንድዚ ክዓቢ’ኳ ሓሳብ እንተዘይነበረ፡ ቍጽሪ ዓደግቲ ብዝተዓጻጸፈ ስለዝዓበ’የ ግን እቲ ሽልማት ብዕጽፊ ክዓቢ ከምዝተገበረ’ውን እቲ መርበብ ሓበሬታ ገሊጹ።","category":"መኻዝን ዕዳጋ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyd4mnyejn4o"} {"headline":"ቢትኮይን ወግዓዊ ገንዘብ ክኸውን ዝወሰነት ፈላሚት ኣፍሪቃዊት ሃገር","content":"ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ 'ቢትኮይን' ተባሂሉ ዝፍለጥ ድጂታላዊ ገንዘብ፡ ኣብታ ሃገር ሕጋዊ ክኸውን ወሲና። እቲ ስጉምቲ፡ ኣብ ዓለም ተመሳሳሊ ውሳነ ዝወሰደት ካልኣይቲ ሃገር ክትከውን ገይሩዋ'ሎ። ኣባላት ፓርላማ እታ ሃገር ብምሉእ ድምጺ ድሕሪ ምጽዳቖም፡ ፕረዚደንት ፋውስቲን ኣርቻንግ ቱዋደራ ብወግዒ ፈሪምሉ ኣሎ። በዚ መሰረት ቢትኮይን፡ ምስቲ 'ፍራንክ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ባጤራ እታ ሃገር ብማዕረ ክሰርሕ'ዩ። እቲ ውሳነ፡ ንሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብ ካርታ ተባዓትን ወነንቲ ራእይን ዝኾና ሃገራት ዓለም ዘስፍራ'ዩ ክብል ሓደ ብዓልስልጣን ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ተዛሪቡ። እታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላን ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ዝደኸያ ሃገራት ዝኾነት ሃገር፡ ንዓመታት ብደማዊን ኣዕናውን ኲናት ክትሕመስ ዝጸንሐት'ያ። ቢትኮይን እንታይ'ዩ ቢትኮይን ማለት ብቕልል ዝበለ ቀንቋ፡ ዲጂታል + ባጤራ + ትውጊት ኢልና ክንገልጾ ንኽእል። ቢትኮይን ፍሉይ ዝገብሮ ከምቲ ኣብ ጁባና ሒዝናዮ እንኸይድ ባጤራ (ቅርሺ) ዘይኮነስ፡ ኣብ መርበብ ኢንተርነት (ኦንላይን) 'ዝሰፈሩ ገንዘብ'ዩ። እቲ ካልእ ንቢትኮይን ሓዊስካ ኩሎም ክሪፕቶካረንሲታት ፍሉይ ዝገብሮም ብመንግስትን ማእከላይ ባንክታትን ዘይምእከሉን ቀጥታዊ ምቁጽጻር ዘይግበረሎም ምዃኖም'ዩ። ንኣብነት ቢትኮይን ብሓደ 'ማይኒንግ' ተባሂሉ ዝጽውዕ ኣገባብ ዝፍጠር ኮይኑ፡ ብመርበብ ዝተኣሳሰሩ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ኮምፒተራት ይቆጻጸርዎ። እቶም ንቢትኮይን ክሪፕቶካረንሲ ዝፈጠሩ ሰባት ኣብ ምሉዕ ዓለም ልዕሊ 21 ሚልዮን ቢትኮይናት ክፍጠሩ ገደብ ከም ዘንበሩ ይእመን። ብቢትኮይን ዕድጊ ምፍጻም ይካኣልዶ? እቲ መልሲ እወ እዩ። ንዘቕርብዎ ፍርያት ይኹን ዝህብዎ ኣገልግሎት ቢትኮይን ዝቕበሉ ትካላት ኣለዉ። ካብዚኣቶም፡ እቲ ኮምፒተራትን ፕሮግራማቱን ብምፍራይን ምሻጥን ዝፍለጥ ኩባንያ ማይክሮሶፍት፡ ቤት ብልዒታት ከይ ኤፍ ሲን ሳብወይን፡ ከምኡው'ን ከም በዓል ወኪል ጉዕዞ ኤክስፐዲያ ዝበሉ ናይ ሚልዮናት ትውጊታት ዝፍጽሙ ዓበይቲ ኩባንያታትን ከም ሆቴላት ዝበሉ ናኣሽቱ ትካላትን ቢትኮይን ይቕበሉ። ብቢትኮይን ዕድጊት ክፍጸም እንከሎ፡ መንነት ናይቲ ዓዳጋይ ስቱር ክኸውን ይኽእል'ዩ። ስለዚ፡ ብመርበብ ኢንተርነት መንነቶም ከይተቓልዐ ዝደለይዎ ኣቕሓን ኣገልግሎትን ክዕድጉን ክረኽቡን ስለዘኽእሎም፡ ቢትኮይን ተመራጺ ይገብሮ፡ በዚ ድማ ቁጽሪ ተጠቀምቲ ክውስኽ ክኢሉ'ሎ። በቲ ንቡር ናይ ባንክ ሕሳባት ገንዘብ ምስግጋር፡ መንነትካን ኣድራሻኻን ብቐሊሉ ክቃላዕ ስለዘገድድ፡ ንቢትኮይን ተመራጺ ይገብሮ ማለት'ዩ። ሓደጋታት ቢትኮይን አሸረትስ ኣብ ዝተባህለ ናይ ፋይናንስ ተቖጻጻሪ ትካል ዝሰርሕ ብርድሊ ራይስ ከም ዝብሎ፡ ቢትኮይን ዝኾነ ዓይነት ምቁጽጻር ኣይግበረሉን'ዩ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፡ ሰባት መንነቶም ከይተቓልዐ ብስቱር ዘድልዮም ክሽምቱ ዘኽእል ስለዝኾነ፡ ንገበነኛታት ናጻ ዕድል ዝኸፍት'ዩ ዝብል ስክፍታ'ሎ። ብመገዲ ቢትኮይን ይኹን ካልኦት ክሪፕቶካረንሲታት፡ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ይኹን ኣደንዘዝቲ ድሮጋት ምዕዳግን ምሻጥን ይካኣል'ዩ። ብተመሳሳሊ፡ ዘይጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ክፍጸም ይኽእል። እቲ ዝኸፍአ ድማ ኣሸበርቲ ክጥቀምሉ ስለዝኽእሉ ሓደገኛ'ዩ ዝብሉ ወገናት ውሑዳት ኣይኮኑን።","category":"መኻዝን ዕዳጋ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61253653"} {"headline":"ዋጋ ሓደ ቢትኮይን ንፈለማ ግዘ 60 ሽሕ ዶላር ኣትዩ","content":"ዋጋ ሓደ ቢትኮይን፡ ንፈለማ ግዘ 60 ሽሕ ዳላር ብምእታው ክብረወሰን ሒዙ። ክሪፕቶካረንሲ ቢትኮይን፡ ካብ መወዳእታ ዓመት 2020 ጀሚሩ እዩ፡ ዋግኡ እናዛየደ ዝመፅእ ዘሎ። ብዙሓት ዓበይቲ ትካላት ነዚ ዘይድህሰስ መተዓዳደጊ ገንዘብ ከምዝቕበልኦ ምግላፀን ድማ፡ ዋጋ ቢትኮይን ክውንጨፍ ምኽንያት ከምዝኾነ ተገሊፁ። ገለ ተንተንቲ ግና፡ ኣብዚ ሰሙን መንግስቲ ኣሜሪካ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ንዝተሃሰዩ ሰባት ምድጓሙ ስዒቡ ዋጋ ቢትኮይን ከምዝኸበረ ይገልፁ። ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ጠቕላላ ዋጋ ቢትኮይን ልዕሊ ሓደ ትሪልየን ኮይኑ እዩ። ይኹን’ምበር፡ ኣብ 2009 ኣቆፃፃፅራ ኣውሮጳውያን ዝተምሃዘ ቢትኮይን፡ ዋግኡ ሓንሳብ ሰማይ ክዓርግ ካልእ እዋን ድማ ክሓስርን እዩ ተራእዩ። ካብ ቀረባ ግዘ ንነዘ ይረኣይ ዘሎ ምኽባር ዋጋ ቢትኮይን፡ ምስ ዓበይቲ ትካላት ዝዛመድ እዩ። ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ወናኒ ትካል ተስላ (ብኤሌክትሪክ ዝንቀሳቐሳ መካይን ዘፍርይ) ኤሎን ማስክ፡ 1 ነጥቢ 5 ቢልየን ዘውፅእ ቢትኮይን ከምዝዓደገ ብወግዒ ምግላፁ ይዝከር። ካብዚ ብተወሳኺ፡ እዚ ቢልየነር፡ ትካሉ ተስላ፡ ቢትኮይን ከም ናይ ወረቐት ባጤራ ንመተዓዳደጊ ከምዘውዕሎ ኣፍሊጡ ኔሩ። ቢትኮይን እንታይ'ዩ? ቢትኮይን ማለት ብቕልል ዝበለ ቋንቋ፡ ዲጂታል + ባጤራ + ትውጊት ኢልና ክንገልፆ ንኽእል። ቢትኮይን ፍሉይ ዝገብሮ ከምቲ ኣብ ጁባና ሒዝናዮ እንኸይድ ባጤራ (ቅርሺ) ዘይኮነስ፡ ኣብ መርበብ ኢንተርነት (ኦንላይን) ዝቕመጥ ገንዘብ'ዩ። እቲ ካልእ ንቢትኮይን ሓዊስካ ኩሎም ክሪፕቶካረንሲታት ፍሉይ ዝገብሮም ብመንግስትን ማእከላይ ባንክታትን ዘይምእኸሉን ቀጥታዊ ምቁፅፃር ዘይግበረሎም ምዃኖም'ዩ። ንኣብነት፡ ቢትኮይን ብሓደ 'ማይኒንግ' ተባሂሉ ዝጽውዕ ኣገባብ ዝፍጠር ኮይኑ፡ ብመርበብ ዝተኣሳሰሩ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ኮምፒተራት ይቆፃፀርዎ። እቶም ንቢትኮይን ክሪፕቶካረንሲ ዝፈጠሩ ሰባት ኣብ ምሉእ ዓለም 21 ሚልዮን ቢትኮይናት ክፍጠሩ ገደብ ከም ዘንበሩ ይእመን። እቲ ኮምፒተራትን ፕሮግራማቱን ብምፍራይን ምሻጥን ዝፍለጥ ኩባንያ ማይክሮሶፍት፡ ቤት ብልዒታት ከይ ኤፍ ሲን ሳብወይን፡ ከምኡው'ን ከም በዓል ወኪል ጉዕዞ ኤክስፐዲያ ዝበሉ ናይ ሚልዮናት ዕድጊት ዝፍጽሙ ዓበይቲ ኩባንያታትን ከም ሆቴላት ዝበሉ ናኣሽቱ ትካላትን ቢትኮይን ይቕበሉ። ብቢትኮይን ዕድጊት ክፍፀም እንከሎ፡ መንነት ናይቲ ዓዳጋይ ስቱር ክኸውን ይኽእል'ዩ። ስለዚ፡ ብመርበብ ኢንተርነት መንነቶም ከይተቓልዐ ዝደለይዎ ኣቕሓን ኣገልግሎትን ክዕድጉን ክረኽቡን ስለዘኽእሎም፡ ቢትኮይን ተመራጺ ይገብሮ፡ በዚ ድማ ቁፅሪ ተጠቀምቲ ክውስኽ ክኢሉ'ሎ። በቲ ንቡር ናይ ባንክ ሕሳባት ገንዘብ ምስግጋር፡ መንነትካን ኣድራሻኻን ብቐሊሉ ክቃላዕ ስለዘገድድ፡ ንቢትኮይን ተመራፂ ይገብሮ ማለት'ዩ። እንተኾነ፡ ሰባት መንነቶም ከይተቓልዐ ብስቱር ዘድልዮም ክሽምቱ ዘኽእል ስለዝኾነ፡ ንገበነኛታት ናፃ ዕድል ዝኸፍት'ዩ ዝብል ስክፍታ'ሎ። ብመገዲ ቢትኮይን ይኹን ካልኦት ክሪፕቶካረንሲታት፡ ዘይሕጋዊ ኣፅዋር ይኹን ኣደንዘዝቲ ዕፀ ፋርሳት ምዕዳግን ምሻጥን ይካኣል'ዩ። ብተመሳሳሊ፡ ዘይጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ክፍፀም ይኽእል። እቲ ዝኸፍአ ድማ ግብረ ራዕዳያን ክጥቀምሉ ስለዝኽእሉ ሓደገኛ'ዩ ዝብሉ ወገናት ውሑዳት ኣይኮኑን።","category":"መኻዝን ዕዳጋ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56391748"} {"headline":"ኢትዮጵያ ክሪፕቶካረንሲ ኣብ ኣገልግሎት ከይውዕል ኣጊዳ","content":"ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ፡ ከም ቢትኮይን ዝኣመሰሉ ክሪፕቶካረንሲታት ኣብ ዕዳጋ እታ ሃገር ንመተዓዳደጊ ምውዓል ኣፍልጦ ከምዘይተውሃቦ ብምሕባር ኣብ ኣገልግሎት ከይውዕሉ ከልኪሉ። እቲ ባንኪ ብመራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ብክሪፕቶካረንሲታት ምትዕድዳግ ዘይሕጋዊ ተግባር እዩ ብምባል፡ ሕብረተሰብ ንርእሱ ካብ መሰል ተግባራት ክቁጥብ ኣጠንቂቑ። ክሪፕቶካረንሲ እንታይ እዩ? ክሪፕቶካረንሲ ዘይድህሰስ ዲጂታላዊ ባጤራ እዩ። ቢትኮይን ፍሉይ ዝገብሮ ከምቲ ኣብ ጁባና ሒዝናዮ እንኸይድ ባጤራ (ቅርሺ) ዘይኮነስ፡ ኣብ መርበብ ኢንተርነት (ኦንላይን) ዝውህለል ገንዘብ ምዃኑ ይፍለጥ። እቲ ካልእ ንቢትኮይን ሓዊስካ ኩሎም ክሪፕቶካረንሲታት ፍሉይ ዝገብሮም ብመንግስትን ማእከላይ ባንክታትን ዘይምእከሉን ቀጥታዊ ምቁፅፃር ዘይግበረሎምን ምዃኖም'ዩ። ክሪፕቶካረንሲታት ንውልቀሰባት ዝህብዎ ነፃነት ከምዘሎ ኮይኑ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተረኸበ ገንዘብ ሕጋዊ ገይርካ ምቕራብ ዘኽእሉ እዮም። ኣብዚ እዋን ብዙሓት ዓይነት ክሪፕቶካረንሲታት ኣለዉ። ብብዝሒ ካብ ሞንጎ ዝፍለጡ ዓይነታት ክሪፕቶካረንሲ፡ ቢትኮይን፣ ኢቲሪየም፣ ካርዳኖን ዶጅኮይንን ምግላፅ ይከኣል። ክሪፕቶ ኣብ ኢትዮጵያ? ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ሰባት ከም ቢትኮይን ዝኣመሰሉ ክሪፕቶካረንሲታት ብምጥቃም ክፍሊት ይፍፅሙ ከምዘለዉ ሓቢሩ። ዋላ እኳ እቲ ባንኪ እዚ እንተበለ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝወሃቡ ፍርያትን ኣገልግሎትን፡ ብክሪፕቶካረንሲ ዝቕበሉ ትካላት ምህላዎም ግልፂ ኣይኮነን። እቲ ባንክ፡ ከምዚኦም ዓይነታት ዲጂታላዊ መተዓዳደግታት ኣብታ ሃገር እናተስፋሕፍሑ ይመፁ ከምዘለዉ ብምግላፅ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ተቐባልነት ዘይብሉ ዘይሕጋዊ ተግባር ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኣብዚ እዋን ቢትኮይን ኣብ ሓደ ሓደ ሃገራት ሓዊሱ ወግዓዊ መተዓዳደጊ ይኸውን ኣሎ። ኣብዚ ቀረባ እዋን  ቢትኮይን ኣብ ማእኸላይ ኣፍሪቃ ሪፐብሊክ ወግዓዊ መተዓዳዳጊ ኮይኑ እዩ። ወነንቲ ሚልየናት ገንዘብ ዝኾኑ ትካላት ማይክሮሶፍት፣ ፔይፓል፣ ወኪል ጉዕዞ ኤክስፔዲያ ሓዊሱ ሆቴላትን ካፍተርያታትን፡ ቢትኮይን ብመልክዕ ክፍሊት ይቕበሉ። ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ግና፡ ናይ ኢትዮጵያ ወግዓዊ መተዓዳደጊ ባጤራ ብር ከምዝኾነ ብምግላፅ፡ “ብዝኾነ ይኹን ናይ ክፍሊት መፈፀሚ ሰነድ ኮነ ስርዓት፡ ብዘይፍቓድ ብሄራዊ ባንክ ገንዘብ ምዝውዋር ኮነ፡ ገንዘብ ተንከፍ ኣገልግሎት ምሃብ ኣይከኣልን” ኢሉ። ክሪፕቶ ከም ስግኣት? መንግስታት ኣብ ዕዳጋ ክሪፕቶካረንሲ ቁፅፅር ምግባር ይኸብዶም እዩ። ኣብ ክሪፕቶካረንሲ ዝካየዱ ምትዕድዳጋት እውን፡ መንነት ሸያጥን ገዛእን ወግዓዊ እንከይገበርካ ምትዕድዳግ ይከኣል። ብምኽንያት እዚ ድማ፡ ዘይሕጋውያን ጉጅለታት\/ ውልቀሰባት ዝተኸልከሉ ነገራት ክዕድጉን ክሸጡን ከምኡ እውን ብዘይህጋዊ መገዲ ዝተረኸበ ገንዘብ ሕጋዊ ኣምሲሎም ክጥቀሙ ይኽእሉ። እዚ ከኣ ንሃገራት ስግኣት ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ። ብሄራዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ “ብገበን ዝተረኸበ ገንዘብ ንምስዋር ጥጡህ ኩነታት ይፈጥር ከምዘሎ፡ ንምርዳእ ተኻኢሉ እዩ። ነዚ ፈፂሞም ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኣካላት ድማ ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድ እዩ ” ብምባል፡ ሕብረተሰብ ኣብዚ ተግባር ንዝተሳተፉ ኣካላት፡ ንሃገራዊ ባንክን ንዝምለከቶ ኣካል ሕግን ክሕብር ድማ ፀዊዑ። ንክሪፕቶካረንሲ ኣፍልጦ ዝሃባ ሃገራት? ኣብዚ ቀረባ እዋን ማእኸላይ ኣፍሪቃ ሪፐብሊክን ኤል ሳልቫዶርን፡ ቢትኮይን ሕጋዊ መተዓዳዳጊ ገይረን እየን። እዚ ማለት፡ ኣብዘን ሃገራት ሰባት ብቢትኮይን ክፍሊት ክፍፅሙ ይኽእሉ እዮም ማለት እዩ። ኣብ ካልኦት ሃገራት ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕራባውያን ዘይሕጋዊ እዩ ማለት ግና ኣይኮነን። ኣብ ከም ሃገራት ቦሊቪያ፣ ቻይና፣ ኢራንን ኮሎምቢያን ግና፡ ቢትኮይን ዘይሕጋዊ እዩ ክብላ ደንጊገን።","category":"መኻዝን ዕዳጋ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cp3x347m5j7o"} {"headline":"ናይጄሪያ፡ ፕሬዝደንት ቡሃሪ መግቢ ካብ ደገ ከይኣቱ ከልኪሉ","content":"ፕረዚደንት ናይጄሪያ መሓመድ ቡሃሪ፡ ካብ ደገ መግቢ ንምምጻእ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንዝሓቱ፡ ዝኾነ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ከይወሃቡ ናብ ማእከላይ ባንኪ እታ ሃገር ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ። እቲ ፕረዚደንት፡ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ክዕቀብን ብጽኑዕ ኣብ ግቡእ ክውዕልን ብምሕባር፡ ካብ ደገ መግቢ ምምጻእ ንተጸባይነት ዘተባብዕ'ዩ ኢሉ። 'ካብ ደገ መግቢ ከምጽእ ንዝሓትት ሳንቲም ከይትህብዎ\" ከም ዝበለ'ውን ሮይተርስ ሓቢሩ። እዚ ውሳነ፡ ፍርያምነት ውሽጢ ዓዲ ንምዕባይ ዝሕግዝ'ዩ እኳ እንተተብሃለ፡ ብኣብዝሓ ካብ ጎረቤት ሃገር ቤኒን ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝኣቱ ሩዝ ክበራኸት ግን ምኽንያት ምኻኑ ይግለጽ። ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ እቲ ማእከላይ ባንኪ፡ ጸባ ዘእትዉ ሰባት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ከይረኽቡ ከልኪሉ'ዩ። እቲ ባንኪ ናጻ ትካል ክነሱ ብኸመይ ትእዛዝ ፕሬዝደንት የፈጽም ኣሎ ዝብል ግን ንጹር ኣይኮነን። በዚ ውሳኒኡ እንተቐጺሉ፡ ዋጋ መግቢ ክንህር፣ ኣምጻእቲ ሰብ ሃብቲ ድማ ካልእ ምንጪ ሸርፊ ወጻኢ [ብኣውርኡ ካብ ጸሊም ዕዳጋ] ክረኽቡ ክፍትኑ'ዮም ተባሂሉ ይግመት። ብዙሓት ናይጄሪያውያን፡ ንኸምዚ ዓይነት ፖሊሲ ብተደጋጋሚ'ዮም ዝነቕፍዎ። ናይጀሪያ ዝዓበየ ቑጠባ ካብ ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ'ኳ እንተኾነት፡ ኣስታት 200 ሚሊዮን ህዝቢ ዝቕልብ መግቢ ግን ካብ ወጻኢ'ያ ተእቱ። ኣብዚ ዓመት ንኻልኣይ እብረ ዝተዓወተ ቡሃሪ፡ ቑጠባ እታ ሃገር ንምዕባይ መብጽዓ ኣትዩ እዩ። ሰደድ ካብ እትገብሮ ኢንዳስትሪ ነዳዲ ዝለዓለ እቶት እትረክብ ናይጄሪያ፡ ገንዘባ ካብ ወጻኢ ኣብ እተእትዎ መግቢን መሰረታዊ ሸቐጣትን ገዘፍቲ ማሽነሪታትን እያ ተውዕሎ።","category":"መኻዝን ዕዳጋ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49341612"} {"headline":"ኡጓንዳ፡ ህዝቢ ዲጂታላዊ ባጤራ ከይጥቀም ኣተሓሳሲባ","content":"ሚኒስትሪ ፋይናንስን ማእከላይ ባንክን ኡጓንዳ፡ መንግስቲ ኡጓንዳ ንክሪፕቶካረነሲ (ዲጂታላዊ ባጤራ) ከም መተዓዳደጊ ክውዕል ኣፍልጦ ስለዘይሃቦ ዜጋታቱ ከይጥቀሙሉ ኣተሓሳሲቡ። ኡጓንዳ፡ ብመንግዲ ኢንተርኔት በዚ ዲጂታላዊ ባጤራ ንዝግበር ናይ ዕድጊ መስርሕ ካብ ዝኸልከላ ብዙሓት ሃገራት ሓንቲ እያ። ኣብ ዓለም ዝርከባ ብዙሓት ባንክታት ብመገዲ ቢት ኮይን፡ ኢተርዩምን ካልኦት ዲጂታላዊ ባጤራታትን ዝግበር ዕድጊ ሻቕሎት ፈጢሩለን ይርከብ። ብፍላይ ቢትኮይን ዝተብሃለ ዲጂታላዊ ባጤራ፡ ኣብ መላእ ዓለም ተጠቃምነቱ እናዛየደ ዝመጽእ ዘሎ ዲጂታላዊ ባጤራ እዩ። መንግስቲ ኡጓንዳ ብክሪፕቶካረንሲ ዝግበር ንግዳዊ ምልውዋጥ ኣፍልጦ ከምዘይህቦ ብምሕባር፡ ህዝቡ ካብ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ክጥንቐቕ ኣተሓሳሲቡ። ሚኒስተተር ፋይናንስ ኡጓንዳ ማትያ ኪሳጂ ብወገኑ፡ ኣብ ኡጓንዳ ዝርከቡ ተጠቀምቲ ክሪፕቶካረንሲ ሰባት ንዘይሕጋዊ መዓላን፡ መግዝኢ ዝተኸልከለ ንብረትን ስለዝጥቀምሉ ክጥንቀቕ ኣተሓሳሲቡ። ሚኒስተር ፋይናንስ ማትያ ኪሳጂ፡ መንግስቲ ክሪፕቶካረንሲ ሕጋዊ ዝኾነሉ ኣገባብ የጻሪ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ዲጂታላዊ ባጤራ ብኣገባብ ኣብ ጥቕሚ እንተ ውዒሉ ብመገዲ ኢንቴርነት ኣብ ዝግበር ንግዳዊ ምልውዋጥ ውጽኢታዊ ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሩ።","category":"መኻዝን ዕዳጋ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/49903869"} {"headline":"ፕረዚደንት ትራምፕ ክልተ ሚልዮን ዶላር ክኸፍል ብቤት ፍርዲ ተኣዚዙ","content":"ኣብ ኒው-ዮርክ ዝርከብ ቤት-ፍርዲ፡ ንፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ንግበረ-ሰናይ ተባሂሉ ዝተዋህቦ ገንዘብ፡ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ጎስጓስ ብምጥፍፍኡ፡ 2 ሚልዮን ክኸፍል ኣዚዙ። ወላ'ዃ ዶናልድ ትራምፕ ፋውንዴሽን ዝተባህለ ትካል ኣብ 2018 እንተተዓጽወ፡ እቶም ኣኽበርቲ ሕግን እቲ ትካልን ግን ንረብሓት እቲ ፕረዚደንት ይውዕል ከም ዝነበረ ይኸሱ። እታ ዳይና፡ እቲ ብትራምፕን ደቁን ዝካየድ ዝነበረ ናይ ግበረ-ሰናይ ትካል፡ ኣብ ፖሎቲካ ክሳተፍ ኣይነበሮን ክትብል ነቲ ወሳነ ኣሕሊፋ። ብተወሳኺ፡ እታ ዳይና ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ገንዘብ ባዕሉ ክኸፍሎ ከምዘለዎ ኣዚዛ። እቲ ገንዘብ፡ ምስ ትራምፕ ዝኾነ ርከብ ዘይብለን፡ ኣብ ሸመንተ ዝተፈላለያ ናይ ግበረሰናይ ትካላት ክወሃብ ድማ ትእዛዝ ኣመሓላሊፋ። ዳይና ሳልያን ስካርፑላ ኣብ ዝሃበቶ ናይ መወዳእታ ብይን፡ ትራምፕ እቲ ብወተሃደራት ኣሜሪካ ነበር ዝተዋጽኣ ገንዘብ፡ ኣብ ፕረዚደንታዊ ጎስጓስ ክውዕል ብምግባሩ፡ \"ንዝተዋህቦ ሓለፍነት ግሂሱ\" ክትብል ተዛሪባ። ጠበቃታት ትራምፕ፡ እቲ ክሲ ናይ ፖሎቲካዊ ዕላማ ኣለዎ ድሕሪ ምባል፡ ንሰልፊ ዲሞክራት ነቂፎም።","category":"መኻዝን ዕዳጋ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50342727"} {"headline":"ኤርትራ መበል 24 ኣባል ሃገር ኮርፖሬሽን ፋይናንስ ኣፍሪቃ ኮይና","content":"ኤርትራ መበል 24 ኣባል ፋይናንሳዊ ኰርፕረሽን ኣፍሪቃ ምስ 23 ኣባል ሃገራት እቲ ትካል ተጸንቢራ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብ6 ሓዳር 2019፡ ኤርትራ ኣባል እቲ ፋይናንሲያዊ ትካል ንኽትከውን ከምዝፈረመ ፋይናንሳዊ ኰርፕረሽን ኣፍሪቃ ኣረዲኡ። እታ ሃገር ኣብ ማዕድናዊ ጽላት ብዝገበረቶ ወፍሪ፡ ርጉእ ቁጠባዊ ዕብየት ተርኢ ከምዘላ እቲ ትካል ወሲኹ ሓቢሩ። ካብ 2019-2024 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ጠቕላላ ዘቤታዊ ምህርቲ ኤርትራ (GDP) ካብ 4 - 5% ክዓቢ ትጽቢት ከምዝግበረሉ እቲ ትካል ኣረዲኡ። እታ ሃገር ኣብ ምዕቃብ ማይን ጸዓትን ምምዕባል ሕርሻን ኢንዱስትርን ብሓፈሽኡ ኣብ ትሕቲ-ቅርጺ ብእትገብሮ ዘላ ወፍሪ፡ ንቁጠባዊ ዕብየት ተራ ከምዘለዎ ይሕብር። እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ኮርፖሬሽን ፋይናንስ ኣፍሪቃ (AFC) ኣብ ፕሮጀክት ዕደና ፖታሽ ኮለሊ ናይ 50 ሚልዮን ዶላር ተወሳኺ ወፍሪ ከም ዝገበረ ኩባንያ ዳናኪል ብሰሉስ ኣፍሊጡ። ኩባንያ ደናኪል፡ ምስ ሃገራዊ ኩባንያ ዕደና ኤርትራ ብምሽራኽ፡ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኮለሊ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ፡ ፖታሽ ንምዕዳን ዝቀራረብ ዘሎ ትካል እዩ። ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ኩባንያ ደናኪል፡ ኒልስ ቫግ፡ ነቲ ፕሮጀክት ንምህናጽ ከባቢ 300 ሚልዮን ዶላር ከምዝድልዮምን እቲ ሓዲሽ ወፍሪ ከኣ ኣብቲ ዕማም ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝህለዎ ገሊጹ። እቲ ትካል ቅድም'ዚ እውን 200 ሚልዮን ዶላር ልቓሕ ወሲዱ ከምዝነበረን፡ እዚ ሕጂ ካብ ኮርፖሬሽን ፋይናንስ ኣፍሪቃ ተረኺቡ ዘሎ ናይ 50 ሚልዮን ዶላር ወፍሪ ከኣ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣረዲኡ። ኮርፖሬሽን ፋይናንስ ኣፍሪቃ ክሳብ ሕጂ ኣስታት 150 ሚልዮን ዶላር ኣብ ፕሮጀክት ኮሉሊ ኣውፊሩ ምህላው ኣካያዲ እቲ ስራሕ ኒልስ ዊግ ይሕብር። እዚ ተወሳኺ ወፍሪ ነቲ ምስ ዩሮኬም (EuroChem Group) ዝተበጽሐ ን10 ዓመታት ዝኸይድ ናይ ፍርያት መሸጣ ስምምዕ፡ ነቲ ፕሮጀክት ንምምዕባልን ንምህናጽን ኣዝዩ ጽቡቕ ባይታ ተነጺፉ ከምዘሎ'ውን ገሊጹ። ኩባንያ ዳናኪል፡ ኣብ ዕዳጋታት 'ስቶክ ኤክስቼንጅ' ለንደንን ኣውስትራልያን ከምዝተመዝገበን ብተዛማዲ ርጉእ ዋጋ (ክብሪ) ከም ዘለዎ ኒልስ ይገልጽ። ኤርትራውያን፡ ኣብ ዕድጊ ብርክታት ዳናኪል ይሳተፉ ከምዘለውን ንብሕጂ ክጽምበሩ ዝደልዩ ከኣ እቲ ትካል ሓንጎፋይ ኢሉ ከምዝቕበሎም፡ ኣብ ዕዳጋ ስቶክ ኤክስቼንጅ ብዝነጥፋ ባንክታት ኣቢሎም ብርኪ ኪገዝኡ ከምዝኽእሉ ኒልስ ዊግ ንቢቢሲ ትግርኛ ሓቢሩ። ኮለሊ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ገማግም ባሕሪ 87 ኪ.ሜ ናብ ከባቢ ዶብ ኢትዮጵያ ዝተደኮነ ስፍራ ኮይኑ፡ ን200 ዓመት ክዕደን ዝኽእል ኩምራ ፖታሽ ከም ዘለዎ ዝተኻየደ መጽናዕቲ የርኢ። ኒልስ ዌግ ብዛዕባ እቲ ዕደና ዝካየደሉ ኣከባቢ ኣመልኪቱ፡ እቲ ኩምራ ፖታሽ ኣብ ኤርትራ ኣብ 16 ሜትር ዕምቆት ክርከብ እንከሎ ናብ ሸነኽ ኢትዮጵያ ምስ እትቐርብ ግን እቲ ዕምቆት ከምዝውስኽ ሓቢሩ። እዚ ኩምራ ፖታሽ ቅድሚ 5 ሚልዮን ዓመታት ብዝነቐጸ ባሕሪ ዝተፈጥረ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ቀጸላታት፡ ጨው፡ ሳልፌትን ፖታሽን ስለ ዘለዎ ተጠላቢ ዱኹዒ ንምፍራይ ዘገልግል እዩ። ኤርትራ ኣባል ኮርፖሬሽን ፋይናንስ ኣፍሪቃ ምዃና፡ መንግስቲ ንወፍሪ እቲ ኮርፖሬሽን ዘለዎ ደገፍ ዘርኢ ምዃኑ ከኣ ኩባንያ ዳናኪል ይገልጽ።","category":"መኻዝን ዕዳጋ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50683105"} {"headline":"ቻይና ንወለድ-ኣልቦ ለቓሕ ኣፍሪቃ ክትስርዞ ምዃና ኣፍሊጣ","content":"ቻይና፡ ገለ ካብቲ ንሃገራት ኣፍሪቃ ዝሃበቶ ወለድ-ኣልቦ ልቓሕ ክትስርዝ ምዃና ፕረዚደንት ሺ ዢንፒንግ ገሊጹ። ንሱ፡ ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ዋዕላ ምክልኻል ኮቪድ-19 ቻይናን-ኣፍሪቃን እዩ ነቲ መግለጺ ሂቡ። ኣብ ርእሲኡ፡ ነተን በቲ ለበዳ ኣዝየን ዝተሃሰያ ሃገራት፡ ኣቐዲሙ ዝተገብረለን ምውንዛፍ ልቓሕ ክናዋሕ ምዃኑ'ውን ቃል ኣትዩ። ሺ ዢንፒንግ፡ ትካላት ፋይናንስ ቻይና፡ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ምሕዝነታዊ ዝርርብ ብምክያድ \"መንግስታዊ ውሕስነት ዘለዎ ንግዳዊ ልቓሕ ዝረኽባሉ ዕድል\" ክፈጥራ'ውን ተላብዩ። \"ንምክልኻል ኮቪድ-19 ኣፍሪቃ ንምድጋፍ፡ ቻይና ምስ ሕቡራት ሃገራት፡ ውድብ ጥዕና ዓለምን ካልኦት መሻርኽትን ክትሰርሕ እያ። እዚ ድማ ንድሌት ኣፍሪቃ ብዘኽብር ኣገባብ ክካየድ'ዩ።\" ቻይና ክታበት ከተማዕብል እንተኺላ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብተን ቀዳሞት ተጠቀምቲ ከም ዝኾና ዢንፒተዛሪቡ። ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ሆስፒታላት ምስራሕ ክትቅጽል ምዃና'ውን ቃል ኣትዩ። ኣብታ ርእሰከተማ ኣፍሪቃ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ'ውን፡ ንቤት ጽሕፈት ማእከል ምቁጽጻር ሕማማት ኣፍሪቃ ዝኸውን ህንጻ ክትሰርሕ እያ። ቻይና ኣብዚ እዋን እዚ እታ ዝበዝሐ ገንዘብ ንኣህጉር ኣፍሪቃ ዘለቀሐት ሃገር እያ። ቻይናውያን ሰብ መዚ፡ ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተተሓሒዙ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝቐርበሎም ዝነበረ ሕቶ ምንዋሕ ክፍሊት ዕዳን ሕቶ ሓዲሽ ልቓሕን ጸማም እዝኒ'ዮም ሂቦሞ ነይሮም። ብ13 ሚያዝያ 2020 ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ 25 ትሑት ኣታዊታት ዘለወን ሃገራት ዝነበረን ናይ 500 ሚልዮን ዶላር ዕዳ፡ ዝኸፍላሉ እዋን ብምንዋሕ 'ሩፍታ' ፈጢሩለን፡ ካብዚአን እተን 19 ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት እየን። ቻይና ግን ነቲ ዕድል ናይ ዕዳ ከተጽንዖ ከምዘድልያ እያ መልሲ ሂባትሉ። መርበብ ሓበሬታ ደይሊ ማቫሪክ፡ ቻይና ንሃገራት ኣፍሪቃ 145 ቢልዮን ዶላር ከምትእውደን ብምጥቃስ፡ እዚ ሕጂ ሃገራት ኣፍሪቃ ንቻይና ዝሓተኣ ዘለዋ ሓገዝ፡ ቻይና እትህቦ ግብረ መልሲ ኣብ መጻኢ ርክባት ቻይናን ኣፍሪቃን ዓቢ ተራ ከምዝህልዎ'ያ ኣብ ጽሑፉ ኣስፊሩ'ሎ። ሓደ ክስሓት ዘይክእል ከኣ ስግኣት ኮቪድ-19 ምስ ኣብቀዐ ሃገራት ቁጠባዊ ብድሆ ኣብ ቅድሚአን ተኾዲሙ ከምዝጸንሐን ፍሉጥ'ዩ፡ እቲ መድረኽ እቲ ኸኣ ንርክብ ኣፍሪቃን ቻይናን ክፍትኖ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።","category":"መኻዝን ዕዳጋ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/53088973"} {"headline":"ቦይንግ፡ ቅድሚ 3 ዓመታት ጸገም ከምዝነበረን ዝገልጽ ጽሑፍ ኣብረርቲ ተቓሊዑ","content":"ስርሓት ቦይግ 737 ማክስ 8፡ ኣብ ውሽጣ ንድሕነት በረራ ዝቆጻጸር ኣካል ጸገም ከም ዝነበሮ ሰራሕተኛታት ቅድሚ ሰልስተ ዓመት ንሓድሕዶም ዝተጸሓሕፍዎ መልእኽቲ ተቓሊዑ። እዞም ሰራሕተኛታተ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት፡ ቦይንግ 737 ማክስ 8 ብዛዕባ እቲ ንስራዓተ በረራ ዝቆጻጸር ኣካል ኣመልኪቶም ኣብ ዝገበርዎ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ እዮም ብዛዕባ ዘጋጠሞም ጸገም ሓሳብ ተዋሃሂቦም። እዚ ንኣሜሪካውያን ሓገግቲ ሕጊ ዝቀረበ ሰነድ ከምዘርእዮ፡ ሓደ ኣብራሪ ነፋሪት ቦይንግ 737 ማክስ 8፡ ኣብ እዋን ፈተነ በረራ፡ ዘይተጸበዮ ጸገም ኣጋጢምዎ ከምዝነበረ ኣብ ጽሑፉ ኣስፊሩ። ናይዚ ኣብራሪ ነፋሪት መልእኽቲ ተኸቲሉ፡ ካልእ ሰራሕተኛ ቦይንግ ኣብ ዝልኣኾ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ \"ሓሶት ኣይኮነን፡ እንተኾን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ንዋላ ሓደ ኣይተዛረብናን\" ኢሉ። እዚ ሓበሬታ ትማሊ ዓርቢ ምስ ተቓለዐ፡ ቦይንግ ኣብ ዕዳጋ 5% ሚእታዊት ምንቁልቋል ከም ዝጋጠሞ ተገሊጹ። እዚ ኣብታ ኣየር ዘሎ ንስርዓተ በረራ ዝቖጻጸር ኣካል ብዘጋጠሞ ጸገም፡ ነፈርቲ መንግዲ ኣየር ኢትዮጵያን ማሊዥያን ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ስለዘጋጠመን 346 ሰባት ተሳፈርትን ኣባላት እተን መንግዲ ኣየርን ምማቶም ይዝከር። ምምሕዳር 'ዚቪል ኣቭየሽን\" ኣሜሪካ፡ እቲ ሕጂ ዝተቓለዐ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ከምዘተሓሳሰቦ ገሊጹ። ብምስዓብ ቦይንግ ነዚ ኣቐዲሙ ረኪብዎ ዝነበረ ሓበሬታ ንምንታይ ኣቐዲሙ ከምዘየቕረቦ \"ብህጹጽ\" መብርሂ ክውሃቦ ሓቲቱ ኣሎ። ቦይንግ፡ ክልተ ሓደጋታት ድሕሪ ምግጣሙ፡ ብምሉአን ነፈርቲ 737 ማክስ 8 ካብ በረራ ደው ምስኣበላን፡ ንዝግበር ዘሎ መርመራ ምሉእ ምትሕብባር ይገብር ከምዘሎ'ዩ ዝገልጽ። ኣብ ልዕሊ እዘን ሓደጋ ዘጋጠመን መንግዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኢንዶንዥያን መርመራ ዘካይዱ ዘለዉ ክኢላታት፡ ናይቲ ሓደጋ ቀንዲ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ ንዝበልዎ፡ ኣብታ ኣየር ዝተገጠመ ንናይ በረራ ድሕነት ዝቆጻጸር ስርዓት ኣተኲሮም ይሰርሑ ከም ዘለዉ እዮም ዝገልጹ።","category":"መኻዝን ዕዳጋ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50107291"} {"headline":"ብሳላ ኮሮናቫይረስ ካብ ኤስያ ዝሃብተመ ሰብ ክኸውን ዝኸኣለ ዞንግ ሻንሻን","content":"ዞንግ ሻንሻን፡ ሳላ ኣብ ምምስራሕ ክታበትን ዕሹግ ማይን ዝገበሮ ወፍሪ ንቻይናዊ ጃክ ማን ንህንዳዊ ሙከሺ ኣንባኒን በሊጹ ካብ ኣህጉር ኤስያ ዝሃብተመ ሰብ ክኸውን ክኢሉ። ዞንግ ሻንሻን ኣብዚ ዓመት እዚ ሃብቱ ብ7 ቢልዮን ዶላር እዩ ወሲኹ። ሃብቲ ዞንግ፡ ካብ 70.9 ቢልዮን ዶላር ናብ 77.8 ቢልዮን ዶላር እዩ ክብ ኢሉ። ካብ ብሉምብርግ ናይ ቢልዮነራት መስርዕ ብዝተረኸበ ሓበሬታ ኸኣ 77.8 ቢልዮን ዶላር ብምውናን ኣብ ዓለም መበል 11 ዝሃብተመ ሰብ ኮይኑ'ሎ። እዚ ብ'ሎን ዎልፍ' ዝብል ሳጓ ዝጽዋዕ ቢልዮነር መጀመርታ ጋዜጤኛ፡ ድሒሩ ኣብ ሕርሻ ቃንጥሻን ማእከላት ጥዕናን ዝኣመሰሉ ስራሓት እዩ ዝሰርሕ ነይሩ። ዞንግ ሻንሻን ኣብ በይጂንግ ዋንታይ ኣብ ዝተሰመየ ክታበት ዘፍሪ ትካል ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ብርኪ ገዚኡ። ድሕሪ ሰልስተ ኣዋርሕ ኸኣ ኖንግፉ ስፕሪንግ ኣብ ዝተብሃለ ኣብ ሆንግ ኮንግ ዝርከብ ማይ ብምጽራይ ዓሺጉ ዝሸይጥ ትካል ገዚፍ ብርኪ ዓዲጉ። ካብዚ ብዝረኽቦ ዝነበረ ኣታዊታት፡ ነቲ ካብ ቻይናን ኤስያን ዝሃብተመ ሰብ ዝነበረ ጃክ ማ በሊጹ ብሃብቲ ጸብለል ክብሎ ክኢሉ። ማይ ኣጽርዩ ዓሽጉ ዝሸይጥ ኖንግፉ ስፕሪንግ ኣብ ሆንግ ኮንግ ኣዝዩ ግኑን ስም ስለዝሓዘ ዋጋ ብርኩ ብ155 ሚእታዊት ወሲኹ፡ ሃብቲ ናይ ዞንግ ሻንሻን ከኣ ማዕሪኡ ወሰኽ ከርኢ ክኢሉ። እቲ ኣብ ቻይና ዝርከብ ክታበት ዘፍሪ ዋንታይ ዝተሰምየ ትካል'ውን ዋጋ ሓደ ብርኪ ብ2000 ሚእታዊት ወሰኽ ብምርኣይ ሓደ ካብ ተጠመትቲ ክታበት ዘፍርያ ትካላት ዓለም ክኸውን ክኢሉ። በዚ ተሓጊዙ ዞንግ ሻንሻን ካብ ኤስያ እቲ ዝሃብተመ ሰብ ክኸውን ክኢሉ'ሎ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ታሪኽ እቲ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ዝበዝሐ ሃብቲ ዘኻዕብት ዝኸኣለ ክኸውን ከምዝኸኣለ ብሉምበርግ ይገልጽ። ለበዳ ኮሮናቫይረስ ነቲ ዘይብሉ እዩ ድሂኽዎ'ምበር ንኸም መስራቲ ኣማዞን ጀፍ ቤዞስ'ሲ መኻዕበቲ ሽሻዮም'ዩ ኮይኑ። ህንዳዊ ቢልዮነር ሙከሺ ኣምባኒ ኣብ ውሽጢ እዚ ሓደ ዓመት ሃብቱ ካብ 18.3 ቢልዮን ዶላር ናብ 76.9 ቢልዮን ዶላር ክብ ኢሉ። ንሱ ንኹለን ትካላቱ 'ብኦንላይን' ከምዝሰርሓ ብምግባሩ እዩ ክንድዚ ሃብቲ ከኻዕብት ክኢሉ። እንተኾነ እቲ ምድላብ ሃብቲ ኣብ ኩሎም ቢልዮነራት ኣይነበረን፡ ቻይናዊ ቢልነር ጃክ ማ ሓደ ካብቶም ሃብቶም ኣብዚ ዓመት ዘንቆልቖለ ቢልዮነራት እዩ። ጃክ ማ ሃብቱ ካብ 61.7 ቢልዮን ዶላር ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናብ 51.2 ቢልዮን ዶላር ጎዲሉ። እቲ ወናኒ ትካል ዓሊባባ ዝኾነ ጃክ ማ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ምንቁልቋል ሃብቱ ካብ መንግስቲ ቻይና ዓቐኑ ዝሓለፎ ምቁጽጻር ይግበረሉ ስለዘሎ ተባሂሉ እዩ ዝእመን።","category":"መኻዝን ዕዳጋ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55495610"} {"headline":"ዙምባብወ፡ ስለምንታይ'ያ ንዶላር ኣብ ኣገልግሎት ከይውዕል ኣጊዳ?","content":"መንግስቲ ዙምባብወ፡ ኣብ ጉዳይ ዶላር መካትዒ ዝኾነ ውሳነ ወሲዱ ኣሎ። ኣብታ ሃገር ኣብ ዝካየዱ ለውጢ እንካን ሃባን ዶላር ኣሜሪካ ዝርከቦም ባጤራታት ወጻኢ፡ ኣብ ኣገልግሎት ከይውዕል ኣጊዱ። ነዚ ተኪኡ ድማ፡ ኣብ 2009 ድሕሪ ዘጋጠመ ልዑል ዝቕባበ ዋጋ ንምጽዋር ዶላር ኣሜሪካን ራንድ ደቡብ ኣፍሪቃን ተኪኣ ኣሊያቶ ዝነበረት ዶላር ዙምባብወ መሊሱ ኣብ ረበሓ ክውዕል'ዩ። ኣብ ከባቢያዊ ሸርፊ ወጻኢ ብዙሕ እምነት ዘይብሎም ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር በዚ ውሳነ ተሰናቢዶም። ኣብ ዙምባብወ፡ ቑጠባ ተዛቢዑ'ዩ ዘሎ። ዳርጋ ኩሉ ነገር ካብ ወጻኢ እናተዓደገ'ዩ ዝመጽእ። ናብራ ኸቢሩ፣ ስእነት ስራሕ ድማ ሰፊሑ። ኣብ 2016፡ ኣብ ዙምባብወ ጥራሕ ዝሰርሕ ገንዘብ ቦንድን ካልኦት ነዚ ጸገም ክፈትሑ ይኽእሉ'ዮም ዝተብሃሉ ነገራትን ተፈቲኖም። እንተኾነ በዚ መገዲ'ውን ውጽኢታዊት ክትኸውን ኣይክኣለትን። ጸሊም ዕዳጋ ሰፊሑ ዙምባብወ ጥረ ገንዘብ ዘይብላ ሃገር ክትኸውን ጀሚራ። ብዙሕ ሰብ፡ ኣብ ናይ ካርድን ብናይ ሞባይል ገንዘብን ጽግዕተኛ ኮይኑ። ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ጥረ ሰልድን ብካርድ ዝሰርሕ ገንዘብን ጸሊም ዕዳጋ ንምቁጽጻር ዳግም ናብ መስርሕ ተመሊሱ። ይኹም'ምበር፡ ሰራሕተኛታት ወርሓዊ መሃይኦም ብዶላር ክኽፈሎም ከም ዝደልዩ ክገልጹ ጀሚሮም። ዝቕባበ ዋጋ እታ ሃገር 100 ሚኢታዊት በጺሑ'ሎ። ሰባት፡ ኣብ ድኳናት፣ ሕክምናን ካልኦት ማእኸላት ኣገልግሎትን ብዶላር ክኸፍሉ ይሕተቱ። ፕሬዝደንት ኢመርሰን ምናንጋግዋ፡ ሕጂ መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ \"ቑጠባና ናብ ንቡር ንምምላስ ኣገዳሲ'ዩ\" ኢሉ። ፕሬዝደንት ኢመርሰን ምናንጋግዋ፡ \"ዋላ ድኣ ንመንግስቲ ዕዳግኡ ከረጋግእ ይሓግዞ እምበር፡ ንዓና ግን ነቲ ናይ ገንዘብ ፖሊሲ ክንቆጻጸሮ ኣይሓገዘነናን፤ እኳ ድኣ ኣብ ዶላር ስለ ዝተሞርኮስና ኣብ ዕዳጋና ዝቕባበ ከም ዝፍጠር ኮይኑ\" ይብል። ሰበ ስልጣን ድማ፡ ዶላር ጠንካራ'ዩ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምህርቲ ምፍራይ ኽቡር ስለ ዝኾነ'ዩ ድማ ሰባት ካብ ወጻኢ ኣታዊ ክገብሩ ዝመርጹ ይብሉ። ቁጥዐን ሕርቃንን ተንጸባሪቑ። ካብ ሰኑይ ጀሚሩ፡ እቲ ቕጽበታዊ ተባሂሉ ዝተዳለወ ገንዘብ ዙምባብወ ጥራሕ ሕጋዊ ኮይኑ ናብ መስርሕ ክኣቱ ተገይሩ'ዩ። ዶላር ዙምባብወ፡ ምስ ሕጽረት መግብን ልዑል ዝቕባበ ዋጋን ዘተኣሳሰሩዎ ሰባት፡ መንግስቲ ኣቐዲሙ መዳለዊ ግዜ ዘይምሃቡ ተቓውመኦም ይገልጹ። \"ናይ ባዕልና ገንዘብ ክህልወና ኣለዎ። ኮይኑ ግን ስቕ ኢልካ ዘሊልካ ዝእቶ ክገብሩዎ ኣይነበሮምን፤ እንተውሓደ ግዜ ክህቡና ነይሩዎም\" ኢሉ ሓደ ነባሪ ከተማ ሃራሬ። ድንኳናትን ካልኦት ወሃብቲ ኣገልግሎትን፡ ምቕያር ገንዘብ ዙምባብወ ምስ ሰምዑ ብዶላር ዙምባብወ ሓድሽ ዋጋ ሓቲሞም። ሕዚ፡ ንመጀመርታ እዋን ብሓኪም ክትርአይ 1800 ዶላር ዙምባብወ ትሕተት፤ እዚ መምህር ወይ ነርስ ኣብ ወርሒ ካብ ዝረኽቦ ኣታዊ ዝለዓለ'ዩ። ነቲ ቑጠባ ተቖጻጺሮምዎ ዘለውን ኣቕሓ ኣታዊ ንምግባር ዶላር ዝደልዩን ዘይሕጋዊ ነጋዶ ድማ፡ እዚ መምርሒ ከም ዝቃወሙዎ ኣፍሊጦም። ኣብ ጎደናታት ሃራሬ ዝሽቅጡ ሰባት'ውን በዚ ውሳኔ ሕጉሳት ዘይምኻኖም ይዛረቡ። \"ከመይ ኢሉ'ዩ ዶላር ኣሜሪካ ካብ ዕዳጋ ወጻኢ ኮይኑ'ዩ ዝብሃል? ፈጺሙ ኣይኸውንን። ንሕና ዶላር ኢና ክንጥቀም ንደሊ\"። ሓጋጊ ሕጊ ተቓዋሚ ሰልፊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዴቪድ ኮልታርት እዚ ውሳነ \"ዕብዳን'ዩ\" ክብል ገሊጹዎ። \"እቲ ዕዳጋ ዶላር ብብዝሒ እናተቖጻጸረ ዝመጽአ'ኮ፡ ኣብቲ ቕጽበታዊ ሰልዲ ዙምባብወ እምነት ስለ ዝሰኣነ'ዩ። ሰባት ድማ ንዕኡ ፍተው ኢልካ ክተገድዶም ኣይትኽእልን። እዚ ዕግርግር ዘጉሃህር'ዩ\" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። ማሕበር ነጋዶ እታ ሃገር፡ እዚ ፖሊሲ እንተዘይተቐይሩ \"ህዝባዊ ተቓውሞ\" ዝተሓወሶ ስጉምቲ ክወስድ'የ ኢሉ ኣጠንቂቑ። ባይቶ ማሕበር ንግዲ ዙምባብወ፡ ሰራሕተኛታት ብዶላር ኣሜሪካ ክኽፈሉ'ዩ ዝደሊ። ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዋጋ ነዳዲ ዝተርኣየ ወሰኽ 150 ሚኢታዊት፡ ሃገራዊ ናዕቢ ኣስዒቡ፤ 12 ሰባት ሞይቶም'ዮም። ኣብ ርእሰ ከተማ ሃራሬ፡ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዝተዋፈሩ ሰባት ሕጂ'ውን ዶላር ኣሜሪካ ይቕበሉን ይለዋወጡን ኣለዉ። ስለምንታይ ዜጋታት ዙምባብወ ናይ ወጻኢ ባጤራ ዝመርጹ? ፕሬዝደንት ሮበርት ሙጋቤ ኣብ ስልጣን ከሎ ብዝነበሮ ቑጠባዊ ምሕደራ፡ ብዙሓት ሕጉሳት ኣይኮኑን። ማእኸላይ ባንኪ፡ እናወሰኸ ዝኸደ ዝቕባበ ዋጋ ንምቁጽጻር ብርክት ዝበለ ሰልዲ ክሓትም ተገዲዱ'ዩ። ኣብ 2008፡ ዓመታዊ ዝቕባበ ዋጋ ዙምባብወ 231 ሚሊዮን ሚኢታዊት በጺሑ ነይሩ። ዋጋ ጠለባት መዓልታዊ እናወሰኸ'ዩ ዝኸይድ። ኣብዚ ግዜ፡ ዘይሕጋዊ እንተኾነ'ውን ብዙሓት ሰባት ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዝዓደጉዎ ዶላር ክሓብኡ ጀሚሮም። ምንቅስቓስ እታ ሃገር ድማ ዚያዳ ናይ ወጻኢ ገንዘብ ክሓትት በቒዑ። ሰበ ስልጣን ድማ፡ ዶላር ዙምባብወ ብምእላይ መተዓዳደጊ ገንዘብ ቻይናን ህንድን ሓዊሱ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ወጻኢ ኣጊዶም። ብሓደ መተዓዳደጊ ገንዘብ ኣቢልካ ዝኾነ ነገር እንትትዕድግ፡ ማልስ እንተሃልዩካ ብኻልእ መተዓዳደጊ ገንዘብ ይምለሰልኻ። ይኹን'ምበር፡ ሰደድ ካብ እትገብሮ ኣታዊ እትገብሮ እናዛየደ ብምምጽኡ፡ ዙምባብወ ኣብ ከይዲ ኩሎም ስኢናቶም። ኣብ መወዳእታ ድማ ጥረ ሰልዲ ዘይብላ ሃገር ኮይና።","category":"መኻዝን ዕዳጋ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48782316"} {"headline":"ትግራይ፡ ዓማዊል ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ገንዘቦም ከውጽኡ ኣይከኣሉን","content":"ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ጀሚሩ፤ ኣብ ትግራይ ብፍላይ ድማ ካብ ጫናፍር ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ዝሓተትዎ መጠን ገንዘብ ኣብ ምውፃእ ገደብ ከምዝተገበረሎም፡ ዓማዊል ይዛረቡ። ኣብ ጨንፈር ንግዳዊ ባንክ ሰሎዳ ዓዲኣቡን ስሞም ክፅርሑ ዘይደለዩ ውልቀሰባት ልዕሊ 2,000 ብር ከውፅኡ ከም ዘይኽእሉ ከም ዝተነገሮም ንቢቢሲ ሓቢሮም። ኣብ ከተማ ዓድዋ ኣርባዕተ ጨናፍር ባንክ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣለዋ። ካብዚኤን ኣብ ጨንፈር ባንክ ንግዲ ገሊላ፣ ሰሎዳን መለስን ካብ 2 ክሳብ 5 ሽሕ ብር ይህቡ ኣለዉ።ጨንፈር ባንክ ንግዲ ዓድዋ እቲ ዝለዓለ 10 ሽሕ ብር ይፈቅድ ከምዘሎ ብስልኪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ብተመሳሳሊ ካልእ ተጠቃሚት ኣብ ከተማ ውቕሮ ክልተኣውላዕሎ ሎሚ ንጉሆ ልዕሊ 1,000 ብር ከይተውፅእ ከም ዝተኸልከለት ንቢቢሲ ኣረጋጊጻ። ትማሊ'ውን ኣብታ ከተማ ልዕሊ 2 ሽሕ ክተውጽኡ ኣይትኽእሉን ተባሂሎም ዝተኸልከሉ ዓማዊል ኣብ ኣፍደገ ንግዲ ባንክታት ኢትዮጵያ ብበዝሒ ከንጸርጽሩ ከምዝተርአዩ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ኣረዲኦም። እዚ ኩነታት፡ ኣብ መብዛሕተአን ከተማታት ትግራይ ዝተርአየ ኮይኑ፡ ኣብ መዓልታዊ ምንቅስቓስ ነበርቲ ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዝፈጠረሎም ወሲኾም ይዛረቡ። ኣብዚ ሕዚ እዋን: እቲ ፀገም ኣብ ማሕበራዊ መራኸብቲ እውን ብሰፊሑ ኣዘራራቢ ዛዕባ ኾይኑ ኣሎ። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ትግርኛ: ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ገለ ባንክታት ተዘዋዊሩ እቲ ጸገም ዘስተውዓለ እንትኸውን፤ ኣብ ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ጨንፈር መቐለ ነቲ ዋኒን ካብ ዝመርሕዎ ሓደ ሓላፊ መብርሂ ሓቲቱ። ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ እዚ ሓላፊ፡ ሕፅረት ቅርሺ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ኣብ ኩሎም ጨናፍር ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ: ከምዝተርኣየ ኣረዲኡ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው: ዝተፈጥረ ሻቕሎት: ህዝቢ ገንዘቡ ካብ ባንክ ኣውፂኡ: ኣብ ገዛኡ የቐምጥ ከምዘሎ ድማ ይዛረብ። እቲ ሕፅረት: ኣብ መላእ ሃገር ይረአ ምህላዉን ኣብ ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ጥራይ እውን እንተይኮነ ኣብቶም ውልቃዊ ባንክታት እውን ክረአ ዝኽእል ዘስግእ ፀገም ይኸውን ምህላዉን እቲ ሓላፊ ወሲኹ ተዛሪቡ። ኣብ ትግራይ: ካብ ብሄራዊ ባንክ ፍቓድ ተዋሂቡወን ገንዘብ ዝዕድላ ኣርባዕተ ማእከላት ኣለዋ። እተን ማእከላት: ኣብ መቐለ፣ ማይጨው፣ ዓድዋን እንዳስላሰ ሽረን ይርከባ። ኣብዘን ማእከላት ሕፅረት ገንዘብ ስለዘጓንፈ ድማ: ናብተን ጨናፍር ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዝለኣኽ ገንዘብ ኣዝዩ ነክዩ'ሎ- ይብል እቲ ሓላፊ። ካብዚ ብምብጋስ: ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ዝርከቡ ተጠቀምቲ ኣብ ቁጠባ ሕሳቦም: ዝርከብ ገንዘቦም ልዕሊ 2 ሽሕ፤ ኣብ ገለ ድማ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ብር ከየውጽኡ ተኸልኪሎም። ብሄራዊ ባንክ ኢትዮጵያ: ነቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን: ብፍላይ ኣብ ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ዘጓንፈ ሕፅረት ገንዘብ ንምፍታሕ ይሰርሕ ከምዘሎን እቲ ፀገም ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልቲታት ከምዝቃለልን ይገልጽ። ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣልሰን ኣሰፋ ግን፤ ሕጽረት ገንዘብ ኣጋጢሙ ዝብል ኣይቅበሎን። ንሱ፡\" ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ናይ ገንዘብ ሕጽረት የብሉን፡ ናይ ኔትወርክ ጸገም እንተዘይኮይኑ\" ብምባል እቲ ዝበሃል ዘሎ ናይ ገንዘብ ሕጽረትን ገደብን \"ቤላ ቤሎ\" ክብል ነጺግዎ። \"ካብ ክልተ ሽሕ ንላዕሊ ከይተውጽኡ ዝብል ሕጊ የለን\" ዝብል ኣይተ ኣልሳን ኣሰፋ፡ ሓላፊ እቲ ንግዳዊ ባንኪ ዛጊድ ዝቐርበሉ ዘሎ ጸገም ምስ ቴሌ ዝተሓሓዝ ናይ ኔትወርክ ምቁርራጽ ጥራሕ ምዃኑ ሓቢሩ። ብተወሳኺ ካብ ዝኾነ ይኹን ጨንፈር ብዛዕባ ሕጽረት ገንዘብ ዝበጸሖ ሓበሬታ ከምዘየለን ምንጪ እቲ ዝበሃል ዘሎ ጸገም እንታይ ከምዝኾነ ከምዘይፈልጥን፡ ኣይተ ኣልሳን ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ንኣብነት ኣብ ዓዲ ኣቡን ጨንፈር ኣጋጢሙ ዝተብሃለ ገደብ መጠን ዝወጽእ ገንዘብ ኣመልኪትና ኣብ ዝሓተትናዮ ሕቶ ድማ \"እዚ ፈጺሙ ክኸውን ኣይክእልን፤ ናይ ንግደ ባንኪ ኣሰራርሓ'ውን ኣይኮነን\" ኢሉ። \"ዝኾነ ሰብ ዘቐመጦ ገንዘብ ካብ ዝኾነ ይኹን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ጨንፈራት ባንኪ ንግዲ ናይ ምውሳድ መሰል ኣለዎ። እዚ ድማ መሰሉ ናይ ምኽልካል ስልጣን 'ውን የብልናን። ብትኽክል እቲ ዝተብሃለ ጸገም ኣብ ትግራይ እንተሃልዩ፡ ትማሊ'ዶ ምስቶም ሓለፍቲ ናይ ትግራይ ኣይነበርናን? ከምኡ ዝብል ሓበሬታ ኣይተልዓለን\" ዝብል ምላሽ ሂቡ።","category":"መኻዝን ዕዳጋ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51306181"} {"headline":"ሂዩማን ራይትስዎች: ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዝርከቡ ነበርቲ እኹል ሓለዋ ከምዘይረኸቡ ሓቢሩ","content":"ሂዩማን ራይትስዎች ኣብ ዝሓለፈ ሰነ 2014 ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ተወለድቲ ኣምሓራ ብዕጡቓት ክቕተሉ እንከለዉ ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ከምዘይፈተኑ ነቒፉ። እቲ ዓለምለኻዊ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ቀዳም 11 ሰነ 2014 ዓ.ም. ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ቀበሌታት ቶሌን ሰኔን ንሸሞንተ ሰዓታት ብዝወሰደ መጥቃዕቲ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዝርከብዎም ኣስታት 400 ሰላማውያን ተወለድቲ ኣምሓራ ከምዝቐተሉ ሓቢሩ። ብዘይካ’ቲ መጥቃዕቲ፡ ​​መንነቶም ዘይተፈልጠ ዕጡቓት’ውን ኣማኢት ኣባይቲ ከምዘቃጸሉን ከምዝሰረቑን ሂዩማን ራይትስ ዎች ይገልጽ። ብመሰረት መረዳእታ ሳተላይት ኣብ ሓሙሽተ ገጠራት ባርዕ ሓዊ ከምዝተልዓለን ኣስታት 480 ህንፃታት ከምዝዓነዉን ይጠቅስ። \"ዕጡቓት ሓይልታት ነተን ቁሸታት በብሓደ ኣዕነዮምን ንመላእ ስድራቤት ብጭካነ ቀቲሎምን እዮም። እዚ ኩሉ ክግበር ከሎ እቶም ኣብ ቀረባ ዝነበሩ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ዋላ ሓንቲ ኣይገበሩን\" ትብል ኣብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ዳይረክተር ቀርኒ ኣፍሪቃ ላቲሽያ ባደር። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ መጥቃዕቲ ተኣማንነት ዘለዎን ነፃን ምርመራ ከካይድ፣ ተሓተትቲ ዝኾኑ ሰባት ኣለልዩ ንዝተጎድኡ ድማ እኹል ሓገዝ ክገብር ከምዘለዎ እታ ዋና ዳይሬክተር ትገልጽ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ሓይልታት መንግስታን ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ክዋግኡ ጸኒሖም እዮም። እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብቲ ከባቢ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ኦሮሞን ካልኦት ውሑዳት ብሄራትን ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘስዓበ ይሕብር። በቲ ኣብ ወርሒ ሰነ 2014 ዓ.ም ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክልቲኦም ወገናት ነንሕድሕዶም ይካሰሱ። ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ 37 ሰባት ብቴሌፎን ኣዘራሪቡ፡ መንነት ናይቶም ዝሞቱ ካብ ነበርቲ ረኺቡ እዩ። ብተወሳኺ’ውን ቅድሚን ድሕሪን እቲ መጥቃዕቲ ብሳተላይት ዝተሳእለ ምስሊ መርሚሩ እዩ። ኣብ ስራሕ ዝነበረ ሓደ ሓረስታይ፡ ኣብ ከባቢ ገዝኡ ትኪ ርእዩ ከምኡ’ውን ተኹሲ ሰሚዑ ናብ መረበቱ ክምልስ ከሎ፡ እቲ ከባቢ ብዕጡቓት ተኸበቡ ከምዝነበረ ገሊጹ። “ደቀይ ሒዘ ናብ ጫካ ኣትየ ተሓቢአ። እቶም ዕጡቓት ከቢድ ዕጥቂ ነይርዎም። ‘ወድእዎም። ከይትገድፍዎም’ ክብሉ ሰሚዐዮም\" ኢሉ። ኣብ ጨቆርሳ ምስ ወዳ ናብ ግራት ዝሃደመት ሓንቲ ኣደ፡ ወዲ ሸሞንተ ወርሒ ወዳ ኣብቲ ተሓቢኦም ዝነበሩሉ ቦታ ክበኪ ከም ዝጀመረ ትዝክር። \"እቲ ህጻን ክበኪ ከሎ ሓደ ካብኣቶም ናብ ኣንፈትና ኣመልኪቱ 'ኣብኡ ርኣይ' ኢሉ። ንወደይ ብጥይት ቀቲሎምዎ። በቲ ዝተኸደንክዎ ክዳን ነቲ ሬሳ ሸፊነዮ። እታ ካልእ ጓለይ ኣብ ሕቖኣ ተሃሪማ እታ ጥይት ብክሳዳ ወጺኣ። ንጓለይ ኣብ ኣፍልበይ ሓቚፈ ኣላህ ክሕልዋ ጸሎት ጀሚረ\" ትብል። ብውሕዱ ኣብ ሽዱሽተ ዓድታት ልዕሊ 400 ሰባት ከምዝተቐትሉ ንቶም ዝሞቱ ዝቐበሩ ነበርቲ ሓቢሮም። እቲ መራሒ ማሕበረሰብ፡ ኣብ ሲልሳው 112፣ ኣብ ጨቆርሳ 105፣ ኣብ ጉቱ 37፣ ኣብ ቤጊ 72፣ ኣብ ሃያዋ 16፣ ኣብ ሰኔ ድማ 16 ከምዝተቐትሉ ምግላጹ እቲ ጉጅለ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪቱ። ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ክሳብ 23 ሰነ ኣብ ዝነበረ ጋዜጣዊ መግለፂ መንነት 338 ሰባት ከምዝተለለየ ኣፍሊጡ ነይሩ። ኣብ ቀሌም ወለጋን ምዕራብ ወለጋን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀመን ብርክት ዝበሉ ሰባት ከምዝሞቱን መራኸቢ ብዙሃን ከምዝፀብፀቡ ኣዘኻኺሮም። ካብ ቶሌ ጥራይ 4800 ሰባት ከምዝተመዛበሉ ቤት ፅሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ካብ ምዕራብ ኦሮሚያ ድማ 500 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም ከምዘለዉ ሓቢሩ። እቲ ትካል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ ቅልጡፍ ስጉምቲ፡ \"ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት ዝተወስደ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ንምድልዳል\" ምዃኑ ገሊጹ። ፓርላማ እታ ሃገር ብተወሳኺ ኣብ ኦሮሚያ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዝምርምር ፍሉይ ኮሚቴ ክምስረት ወሲኑ እዩ። ኣብ ነበርቲ ቀበሌ ቶሌ፡ ሰኔን ቦኔን ምርመራ ብዝምልከት ዝተራእየ ግን ኣዝዩ ሒደት ከምዝኾነ ይጥቁም። ሓላፊት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባቸሌትን ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪን ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ናጻ መርመራ ክካየድ ጻውዒት ኣቕሪቦም። \"ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዝርከቡ ማሕበረሰባት ብተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ኣብ ስግኣት ጸኒሖም እዮም። ዝቕፅል መጥቃዕቲ ከይፍፀም ሕጂ'ውን ኣብ ሓደጋ ይነብሩ ኣለው\" ትብል ለቲሻ ባድር። \"ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ህፁፅ ስጉምቲ ንምውሳድ፡ ነቶም ዝተጎድኡ ማሕበረሰባት ህፁፅን እኹልን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሃብን ናጻ መርመራታት ንምግባርን ዝኣተውዎ መብጽዓ ብህጹጽ ክፍጽሙ ይግባእ።\" መንግስቲን ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያን ሰብኣዊ ሓገዝ እኳ እንተገበሩ ነበርቲ ግን ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ሓገዝ ከምዘይረኸቡ ይገልጹ። ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ መንግስቲ ነቲ ጉድኣት ኣብ ምጽራይን ምልላይን ዘመዝገቦ ምዕባለታት ጸብጻብ ከፍልጥ ሓቲቱ። ነቶም ግዳያት ህጹጽ ሰብኣዊ ደገፍ ክወሃብ፡ ተራ ናይቶምኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተሳተፉ ሓለፍቲ ክጻረ፡ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ ናፃን ዘይሻራዊን ምርመራ ክግበር ሓቲቱ። ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ካልኦት ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዝርከቡ ዕጡቓት ጉጅለታትን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባትን ንብረቶምን ዝፍፅምዎ ዘይሕጋዊ መጥቃዕቲ ብቕልጡፍ ደው ከብሉ’ውን ፀዊዑ። ብተወሳኺ ኣብ ዘይሕጋዊ መጥቃዕቲ ዝተሳተፉ ኣባላቶም ክቐጽዑ ሓቲቱ’ሎ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cn0vm1lz0n2o"} {"headline":"ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ብዕጡቓት ፋኖ ከም ዝተቐተሉ ተገሊፁ","content":"ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ፡ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋ፡ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ብዕጡቓት ከምዝተቐተሉ ነበርቲ ገሊፆም። ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሉስ 24 ነሓሰ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ፡ ኣብ ወረዳ ኣሙሩ ከተማ ኣጋምሳ ናይ ዝተቐተሉ ሰባት ቁፅሪ ብትኽክል ምፍላጥ እኳ እንተዘይተኽኣለ ልዕሊ 50 ሰባት ተቐቲሎም ተባሂሉ። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ልዕሊ 100 ሬሳታት ከም ዝረኣዩ ዝተዛረቡ እንትኾኑ፡ ካልኦት ፀብፃባት ድማ ቁፅሪ መወትቲ ካብ 50 ከም ዘይንእስ ይሕብሩ። እቲ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ኣብታ ከተማ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብዕጡቓት ፋኖ ከም ዝተፈፀመ እቶም ነበርቲ ገሊፆም። ነዚ መጥቃዕቲ ስዒቡ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ መራሒ 10 ኣባላት ስድራ፡ እቲ ቅትለት ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ 24 ነሓሰ ሰዓት 12፡00 ናይ ንጉሆ ከምዝጀመረ ይገልፁ። “ገና ካብ ምድቃስና ምስ ተሳእና፡ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ከተማ ኣጋምሳ ተኹሲ ብምኽፋት ናብ ማእኸል ክኣትዉ ጀሚሮም” ኢሉ። ኣብታ ከተማ ዝነበሩ ኣካላት ፀጥታ መንግስቲ ምውፅኦም ስዒቡ፡ ሰራዊት ግንባር ነፃነት ኦሮሞ ናብታ ከተማ ኣትዩ ከም ዝነበረ ነበርቲ ይገልፁ። ቀፂሉ ሰራዊት ኦነግ ካብታ ከተማ ምስ ወፅአ ድማ፡ ዕጡቓት ፋኖ ናብታ ከተማ ብምእታው፡ ምስ ሰራዊት ኦነግ ተሓባቢርኩም ንዝበልዎም ከም ዝቐተሉ እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ሓቢሮም። ቢቢሲ ኣብዚ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፡ ንሰብመዚ እቲ ከባብን ፌደራልን ንምዝራብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን። እንተኾነ፡ ቅድሚ ሕዚ ኣብቲ ከባቢ ዓሌት መሰረት ዝገበሩ መጥቃዕቲ፡ ብ “ኣኽረርቲ ዕጡቓት ኣምሓራን ሰራዊት ኦነግን” ከም ዝፍፀሙ ገሊፆም ነይሮም። እቲ ሰዓት 12፡00 ናይ ንጉሆ ዝጀመረ መጥቃዕቲ ክሳብ ፋዱስ ሰዓት 7፡00 ከም ዝቐፀለ፡ እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ምስክር ዓይኒ ገሊፆም። ዓሰርተ ኣባላት ስድርኦም ሒዞም ከም ዝሃደሙ ዝገልፁ እቶም ነባሪ፡ “ብዕድመ ንዝደፍአትን ምንቅስቓስ ዘይትኽእልን ወላዲተይ ኣብ ገዛ ገዲፍናያ ኢና ሃዲምና። ሕዚ ኣብ ከመይ ዓይነት ኩነታት ከም ትርከብ ኣይንፈልጥን። ሕዚ’ውን ንበልዖን ናብ ንኸዶን የብልናን” ብምባል፡ ካብ 100 ዘይውሕድ ናይ ሰባት ሬሳታት ከም ዝረኣዩ ንቢበሲ ተዛሪቦም። ካልእ ተምሃሪ 12 ክፍሊ ዝኾነ ነባሪ ከተማ ኣጋምሳ ድማ፡ ክሳብ ሓሙስ ንጉሆ ናይ ሰባት ሬሳታት ተኣኪቡ ከም ዘይተወድአ ተዛሪቡ። “ክሳብ ሕዚ ተቐቢሩ ዘይተወድአ ሬሳ ኣብ ሜዳ ወዲቑ ይርከብ። እቲ ህዝቢ ገና ካብ ምድቃሱ እንከይተልዓለ እዩ ተኹሲ ተኸፊትዎ። ዝጠፍኡ ሰባት ይድለዩ ኣለዉ” ብምባል ነቲ ኩነታት የረድእ። “ብህይወት ስለ ዝተረፍኩ ዕድለኛ እየ” ዝብል እዚ መንእሰይ፡ 30 ሬሳታት ከም ዝቖፀረ ንቢበሲ ገሊፁ። ነዚ መጥቃዕቲ ስዒቡ ነበርቲ ከተማ ኣጋምሳ ብእግሮም ተጓዒዞም ኣብ ካልእ ከባቢ ኣፅሊሎም ከምዝርከቡ ተዛሪቡ። ኣብታ ከተማ ካብ መጥቃዕቲ ብተወሳኺ፡ ኣብ ትካላት ንግዲ መጠነ ሰፊሕ ዝምታ ከም ዝተፈፀመን ትካላት ንግድን ባንክታትን ብሓዊ ክቃፀል ከም ዝተገበረን እቶም ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊፆም። እቶም ዕጡቓት፡ “ብመኪናን ብሞተርን ክንዲ ዝኸኣልዎ ንብረት ህዝቢ ዘሚቶም ወሲዶም። ዘይከኣልዋ ከኣ ኣቃፂለሞ” ኢሎም፡ እቶም ቢቢሲ ዘዛረቦም ነባሪ። እዚ መጥቃዕቲ ኣብታ ከተማ ዝነበረ ፍሉይ ሓይሊ ኦሮምያ ምስ ወፅአ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ከም ዝተፈፀመ እቶም ነበርቲ ኣረዲኦም። ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ፡ ካብ ሰብመዚን ኣመራርሓን ክልል ኦሮምያ፣ ዞባ ሆሮ ጉድሩ፣ ወረዳ ኣሙሩን ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ፃዕሪ ኣይሰመረን።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyjv7yw72pno"} {"headline":"ኣምነስቲ፡ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ ዝተፈጸመ ቕትለት ብዘይሻራዊ ኣካል ክምርመር ሓቲቱ","content":"ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ኣብ ልዕሊ 400 ተወለድቲ ኣምሓራ ዝተፈጸመ ቕትለት፡ ብዘይሻራዊ ኣካል ንኽምረምሩ ሓቲቱ። ኣምነስቲ፡ ብ14 ሓምለ 2014 ዓ.ም [ግ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብ11 ሰነ 2014 ዓ.ም ኣብ ምዕራብ ወለጋ፡ ወረዳ ጊምቢ፡ ቀበሌ ቶሌ፡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉን ብዙሓት ድማ ከምዝቘሰሉን ገሊጹ። እዚ፡ “ብሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ተፈጺሙ ዝተባህለ ቕትለት፡ ሰባት ንህይወት ደቂ ሰብ ግዲ ከምዘይብሎም ዘርኢ እዩ፡” ክብል ናይ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ዳይረክተር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዴፕሮስ ሙቼና ተዛሪቡ። ንሱ ወሲኹ፡ “ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፡ ነቲ ቕትለት ዝፈጸሙ ሰባት ናብ ፍርዲ ንኽቐርቡ፡ ኣድላይ ዝበለ ስጕምቲ ክወስዱ ኣለዎም” ይብል። ኣብቲ መጥቃዕቲ እንተ ወሓደ 450 ከምዝሞቱ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዘዘራረቦም ናይቲ ከባቢ ሰበስልጣን ሓቢሮም። መንግስቲ ብወገኑ፡ ቍጽሪ እቶም ዝተቐትሉ ሰባት 338 ከም ዝበጽሕ ምግላጹ ይዝከር። ካብቲ መጥቃዕቲ ዝተረፉን ስድራ ግዳያትን ዘዘራረበ ኣምነስቲ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ከምዝተፈጸመ የመልክት። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰባትን መንግስቲን፡ እቲ መጥቃዕቲ ብሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ከምዝተፈጸመ እዮም ዝገልጹ። ይዅን እምበር ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡ ሓይልታት መንግስቲ ከምዝፈጸምዎ ብምግላጽ ዘይሻራዊ ምርመራ ንኽግበር ከምዝሓተተ ይዝከር። እቲ ትካል፡ መሰኻኽር ዓይኒ፡ ካብቲ መጥቃዕቲ ዝተረፉ፡ ስድራ ግዳያትን ሰብ መዚ እቲ ከባቢን ሓዊሱ 10 ሰባት ኣዘራሪቡ እዩ። ኣብቲ መጥቃዕቲ ጃምላዊ ቕትለት፡ ገዛውቲ ምቅጻልን ዘረፋን ተፈጺሙ ይብሉ። ብተወሳኺ ጕጅለ ምርመራ ኣምነስቲ፡ ስእልታት ሳተላይት መርሚሩ፡ እቲ ብ 11 ሰነ 2014 ዓ.ም. ኣብ ቀበሌ ቶሌ ኣብ ዝርከቡ ቁሸታት ሓዊ ከምዝተልዓለ ኣረጋጊጹ እዩ። ሰልፊታት ፖለቲካን ካልኦት ወገናትን'ውን፡ ዘይሻራዊ ምርመራ ንኽግበር ተማሕጺኖም እዮም። ሃገራዊ ባይቶ ኢትዮጵያ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት (ኢሰመኮ) ብዛዕባ እቲ ቕትለት ምርመራ ኣካይዱ ጸብጻብ ንኸቕርብ ውሳነ ከም ዘሕለፈ ይዝከር። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት እውን ምርመራ ከም ዘካይድ ኣፍሊጡ እዩ። ሰብ መዚ እቲ ኸባቢ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብኡ ንብኡ ወረዳን ዞንን ከም ዝፈልጥዎ ተገይሩ'ኳ እንተነበረ፡ መንገዲ ስለዝተዓጽወ ግን፡ ግብረ መልሲ ክህቡ ከምዘይከኣሉ ንኣምነስቲ ገሊጾም። ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ኣብ ቁሸታት ቶሌ ሰብ እናቐተሉ፡ ገዛ እናቃጸሉ ንሓሙሽተ ሰዓታት ከምዝጸንሑን፡ ሓይልታት መንግስቲ ግን ክከላኸሉሎም ከም ዘይከኣሉ መሰኻኽር ንኣምነስቲ ሓቢሮም። እታ ቍሸት፡ ካብ ጊምቢ ዋና ከተማ 'ቲ ወረዳ፡ 49 ኪሎሜተር ርሒቓ እያ ትርከብ። ሓይልታት መንግስቲ ናብቲ ከባቢ ዝበጽሑ፡ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ድሕሪ ምውጽኦም ከምዝዀነ እውን ወሲኾም ገሊጾም። “ኣብ ክልል ኦሮሚያ፡ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ እዚ ናይ መጀመርያ ኣይኰነን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኦሮሚያ ንዝርከቡ ተወለድቲ ኣምሓራ፡ ካብ ቅትለትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዑቕባ ክህብ ኣለዎ፡” ክብል ዴፕሮስ ሙቼና ኣተሓሳሲቡ። እቲ መጥቃዕቲ፡ ንግሆ ሰዓት ሰለስተ ከም ዝተፈጸመ መሰኻኽር ዓይኒ ንኣምነስቲ ገሊጾም። መብዛሕትኡ ሰብ ድማ ናብ ሕርሻን ናብ ካልእ ጉዳያቱን ተዋፊሩ ነይሩ፡ ይብሉ። ኣብተን ቍሸታት ዝነብሩ ሰባት፡ ካብቲ መጥቃዕቲ ክሃድሙ ዘይከኣሉ ህጻናትን ኣደታትን ከምዝዀኑ እዞም መሰኻኽር ይገልጹ። ኣምነስቲ ዘዘራረቦም መሰኻኽር ኵሎም ኣዝማዶም ከም ዝሰኣኑን መብዛሕትኦም ድማ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ከምዝዀና ሓቢሮም። ካብቲ መጥቃዕቲ ዝተረፈት ጀሚላ፡ ሰብኣያ ኣብ ሕርሻ እንከሎ ብገጀራ ከምዝቐተልዎን ንባዕላ ድማ ብጥይት ከምዝወቕዕዋን ተዛሪባ። ሓገዝ ክሳዕ ትረከብ ኣብ ማእከል እቶም ዝሞቱ ሰባት ወዲቓ ከምዝጸንሐት እውን ወሲኻ ንኣምነስቲ ገሊጻ። 22 ደቈምን ደቂ ደቈምን ከምዝተቐትሉ ዝዛረቡ ወዲ 64 ዓመት ኣቶ ሑሴን*፡ ኣንስቲን ህጻናትን ይገድፍዎም እዮም ብዝብል ግምት ኣብ ገዛ ሓዲጐም ነብሶም ከድሕኑ ከምዝሃደሙ ሓቢሮም። ኣቶ ሑሴን፡ ስድራቤቶም ኣብ መንጐ 42 ሬሳ ከምዝረኸቡን ብዙሓት ህጻናት ከምዝተቐትሉን ወሲኾም ገሊጾም። ናይቲ ከባቢ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ዝዀነ ጀማል* እውን፡ ሰለስተ ደቁን ጥንሲ 7 ወርሒ ዝነበራ ሰበይቱን ከምዝተቐትሉ ይገልጽ። ስድራቤቱ ሓዊሱ፡ 112 ሰባት ስልሳው ኣብ ዝተባህለ ቦታ፣ 104 ድማ ኣብ ጨርቆሳ ከምዝተቐትሉ ዝገልጽ እቲ በዓል ስልጣን \"መብዛሕትኦም ህጻናትን ንኣሽቱ ዕሸላትን” ከምዝዀኑ ይሕብር። እቶም ሬሳታት ብጠያይት ከምዝተበሳስዑ እውን ወሲኹ ሓቢሩ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን፡ ኣብ ሕርሻኦም ዝነበሩ ኣቶ ኣብዲ ብወገኖም፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብቲ ዝነበረሉ ቁሸት ካብ 2፡30 ኣትሒዙ ክሳብ 9፡00 ኣብ ካልኦት ቁሸታት ድማ ክሳብ 10፡00 - 11፡00 ከምዝቐጸለ የረድኡ። ገለ ካብቶም ነበርቲ ዕጡቓት'ኳ እንተዀኑ፡ ምስቶም ዝመጹ ኣባላት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ስለዘይዳረግ ግን፡ ክከላኸሉ ከምዘይከኣሉ ገሊጾም። “ኣብ ኢትዮጵያ ዝሰፈነ ተሓታትነት ዘይብሉ ባህሊ፡ እቶም ግጭታት ንኽቕጽሉየተባብዕ ኣሎ። ሰበ ስልጣን ኣብታ ሃገር ዝተፈጸሙ ግህሰት መሰላት ብዘይሻራዊ ኣካል ከም ዝምርመሩ ክገብሩ ኣለዎም። ብተወሳኺ፡ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝቘመ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ምርመራ ንኸካይድ ከወሃህዱ ኣለዎም፡” ይብል ዴፕሮስ ሙቼና። ዕጡቓት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኣብ ጐረባብቶም መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ከምዝረኣዩ ኣቶ ዳውድ ይገልጹ። “እንዳ ጐረቤተይ ሻምበል መሐመድ ኣቃጺሎምዎ። ስድራኡ ደቁን ደቂ ደቁን ብሓፈሻ 12 ሰባት ኣብ ውሽጢ ገዛ ነይሮም። እታ ሓንቲ ጥንስቲ 7 ወርሒ ክትከውን እንከላ፡ ምስ ክልተ ደቃ እያ ነይራ። ምሉእ ብምሉእ ስለዝተቓጸሉ ኣብ ካንሸሎኦም እዮም ተቐቢሮም” ይብሉ። ካልእ ኣብዲ ዝተባህለ ምስክር'ውን፡ እቶም ካብ ገዛኡ 4 ከብትን 70 ሽሕ ዝግመት ከም ዝዘረፉን ይገልጽ። መሰኻኽር፡ እቶም ኣጥቃዕቲ፡ በቲ ነዊሕን፡ ጀብጀብ ዝተቘነነን ጸጕሮም፡ ብወተደራዊ ክዳውንቶም በቲ ዝዛረብዎ ዝነበሩ ኦሮምኛን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ምዃኖም ከምዝፈለጡ ይሕብሩ። ብተወሳኺ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ንኣርባዕተ ዓመታት ኣብቲ ከባቢ ይንቀሳቐስ ከምዝነበረ ይገልጹ። ቅድሚ ሕጂ ኣምነስቲ፡ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ፈጺሞምዎ ዝበሎም መጥቃዕቲታት ዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ። ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ግን ኣብ ቶሌ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓዊሱ፡ ነቶም ክስታት ብምጻግ ንሓይልታት መንግስቲ ተሓተትቲ ይገብር። *አምነስቲ ዘዘራረቦም ሰባት ንድሕነቶም ተባሂሉ ስሞም ተቐይሩ እዩ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crg3475363eo"} {"headline":"ኣብ ኦሮሚያ ትማሊ ሰኑይ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ","content":"ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቄለም ወለጋ ሰላማውያን ሰባት ከምዝተጨፍጨፉ ኣፍሊጡ። ንሱ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ እቲ “ጨፍጫፍ” ክብል ዝገለጾ መጥቃዕቲ፡ በቶም መንግስቲ 'ሸኔ' ክብል ዝጠቕሶም (ንነብሶም ‘ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ’ ዝብሉ) ዕጡቓት ጕጅለ ከምዝተፈጸመ ሓቢሩ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ትማሊ 27 ሰነ 2014 [ግእዝ] ኣማስያኡ፡ \"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ቄለም ወለጋ ዝነበሩ ሰላማውያን ሰባት ጨፍጫፍ ተፈጺምዎም\" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዛዕባ እቲ ተፈጺሙ ዝበሎ ጨፍጫፍ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን። ቢቢሲ ዘዘራረቦም መሰኻኽር ዓይኒ፡ ትማሊ ሰኑይ ከባቢ ሰዓት 12፡00 ንግሆ ከም ዝጀመረን ብውሕዱ ንሰለስተ ሰዓታት ከምዝጸንሐን ሓቢሮም። በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከኣ ህፃናት ዝርከብዎም ልዕሊ 150 ሰባት ከምዝተቐተሉ ገሊጾም። ሓያሎ ገዛውቲ ብሓዊ ከምዝተቓጸሉ ዝሓበሩ እቶም መሰኻኽር ዓይኒ፡ ብዙሓት ካብቲ መጥቃዕቲ ዝተረፉ ኣብ መሳጊድ ከምዘዕቆቡ ኣረዲኦም። ተቓዋሚ ሰልፊ ባልደራስ ንሓቀኛ ዲሞክራሲ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ “እቲ ጨፍጫፍ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቄለም ወለጋ፡ ወረዳ ሮቢት ገበያ ቀበሌ መቻራ ለምለም” ከምዝተፈፀመን ብኣማኢት ዝቝፀሩ ሰባት ከምዝተቐትሉን ኣመልኪቱ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ በቲ ጸብጻባት ከም እተሻቐለ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ብዝሒ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ብቕልጡፍ ክውስኽ ጸዊዑ። ካብቲ ከባቢ ዘምለጡ ሰባት ከምዘዘራረበ ዝገለጸ እቲ ኮሚሽን፡ እቲ መጥቃዕቲ ብኣባላት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ከምእተፈጸመ እቶም ምንጭታት ከምዝሓበርዎ ኣፍሊጡ። ቅድሚ ክልተ ሰሙን’ውን ኣብ ምዕራብ ወለጋ ጊምቢ፡ ቀበሌ ቶሌ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ተወለድቲ ኣምሓራ ብዝተፈጸመ ጨፍጫፍ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉ ይዝከር። መንግስቲ በቲ መጥቃዕቲ ልዕሊ 330 ሰባት ከምዝተቐትሉ ዝገለጸ ኰይኑ፡ ካልኦት ኣካላት ድማ እቲ ኣሃዝ 600 ከም ዝበጽሕ ይገልጹ። መንግስትን ካብቲ ጨፍጫፍ ዝተረፉ ሰባትን ንሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ተሓታቲ ክገብሩ እንከለዉ፡ እቲ ጕጅለ ግን ነቲ ክሲ ይነጽጎ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብቲ ብትዊተር ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ነቲ ብፓርላማ እታ ሃገር ግብረሽበራዊ ዝተሰመየ ዕጡቕ ጕጅለ ተሓታቲ ገይሩ’ሎ። \"ብኣካላት ጸጥታ ካብ ዝወርዶ ዘሎ በትሪ ዝሃድም ጕጅለ ሸኔ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ቄለም ወለጋ ዝርከቡ ዜጋታት ሓደጋ እናውረደ ይሃድም ኣሎ፡\" ኢሉ። ኣስዒቡ፡ “ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ብዝወርድ መከራ እናሓዘንና፡ ነዚ ግብረሽበራዊ ጕጅለ ክሳብ መወዳእታ ስዒብና ከነወግዶን ኢና” ኢሉ። ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ምስ ህወሓት “ግብረሽበራዊ ጕጅለ” ተባሂሉ ዝተፈረጀ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ምዕራብን ደቡብን ኦሮሚያ ምስ ዝፍፀም መጥቃዕትን ቅትለትን ተተሓሒዙ ስሙ ብተደጋጋሚ ይለዓል። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝርዝር ከይሃበ ተፈጺሙ ኣብ ዝበሎ “ጨፋጫፍ” ዝወረዶ ጉድኣት'ኳ እንተዘይተፈለጠ፡ ከቢድ ጉድኣት ምዃኑ ግን ይግመት። እዚ መጥቃዕቲ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ንኻልኣይ ግዜ ዝተፈጸመ ኮይኑ’ሎ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cglr30gp7zjo"} {"headline":"መንግስቲ ኣብ ኦሮምያ ስለምንታይ እዩ ድሕነት ሰላማውያን ምውሓስ ተጸጊሙ?","content":"ካብ ዞባ ወለጋ ሆሮ ጉድሩ ዝተመዛበለ፡ ሕጂ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ንድሕነቱ ስሙ ክዕቀብ ዝሓተተ ወዲ 37 ዓመት ውልቀ ሰብ፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኵነታት ብቓላት ክትገልጾ ከቢድ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካብ ኣባላት ስድራ ቤቱ ሸሞንተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። “ፍርቆም ቤተሰበይ ሞይቶም፡ እቶም ዝተረፉ ከኣ ተበታቲኖም፡ ኣበይ ከምዘለዉ ኣይፍለጥን’ዩ” ኢሉ። ኣብ ክልል ኦሮምያ፡  ብፍላይ ከኣ ኣብ ከባቢ ምዕራብ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ዜጋታት ዘውርድዎ ዘለዉ መጥቃዕቲ እናወሰኸን እናሓየለን ይኸይድ ኣሎ። እቶም ቢቢሲ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ዘዘራረቦም ነበርቲ ነቲ መጥቃዕቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ‘ፋኖ’ን መንግስቲ ኣሸበርቲ ክብል ዝጽውዖም ኦነግ\/ሸኔን ከምዝዀኑ ይዛረቡ። ዋላ’ኳ እቶም ዕጡቓት ሓይልታት  ብዛዕባ እቲ ይውሰድ ኣሎ ዝበሃል መጥቃዕቲ ሓላፍነት እንተዘይተሰከሙ፡ መንግስትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ግን ንዓኣቶም እዮም ዝጥርጥሩ። ሓለፍቲ ክልል ኦሮሚያ ‘ኦነግ\/ሸኔ’ ኮነ ኣኽረርቲ ሓይልታት ኣምሓራ ንፖለቲካዊ ዕላማኦም ክብሉ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጉድኣት የውርዱ ኣለው ክብሉ ይወቕሱ። ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ መንጎ መንግስትን ሰራዊት ግንባር ነጻነት ኦሮሞ  (ሸኔ) ብዝግበር ብርክት ዝበለ ግጭት ብዙሓት ሰላማውያን ነበርቲ ህይወቶምን ንብረቶምን ስኢኖም ቁሸታቶም ገዲፎም ተሰዲዶም ኣለው። ኣብ ክልል ኦሮሞ ዘሎ ግጭትን ቅትለት ሰላማውያን ሰባትን ካብ ኣዒንቲ መራኸቢ ብዙሃን ስለዝተኸወለ ማሕበረ ሰብ ዓለም ግቡእ ኣቓልቦ ኣይሃቦን። ግን ስለምንታይ እዩ ከምኡ ኰይኑ? መንግስቲ’ኸ ስለምንታይ ድሕነት ሰላማውያን ሰባት ንምውሓስ ተጸጊሙ? ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ክልል ኦሮምያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ደቡባውን ምዕራባውን ክፍልታት ከቢድ ሽግር እዩ ነይሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ንኽሰፍሕ ብምሕላን ኵሎም ኣብ ግዳም ኰይኖም ዝቃወሙ ዝነበሩ ሓይልታት ፖለቲካ ናብ ሃገሮም ኣትዮም ንጥፈታቶም ከካይዱ ፈቒዱ። ኣብቲ እዋን፡ ንነዊሕ ዓመታት ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይድ ዝነበረ ግንባር ነጻነት ኦሮሞ (ኦነግ) ከኣ ሓደ ካብቶም ንዓዲ ዝተመልሱ ፖለቲካዊ ጕጅለታት ኰይኑ። ድሕሪ እቲ ንዓዲ ናይ ምእታው ጻውዒት ግን ኦነግ ኣብ ክልተ ተገሚዑ። እቲ ሓደ ወገን ጠበንጃ ኣቐሚጡ ብሰላማዊ መገዲ ክቃለስ እየ ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ወገን ግን ዕላማይ ብዕጥቂ ብረት እየ ዝፍጽም ስለዚ ዕጥቀይ ኣየውርድን እየ ኢሉ። እቲ ጉዳይ ብመራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር'ኳ እንተተዘርበሉ ሚድያታት ወጻኢ ግን ኣቓልቦ ኣይሃባኦን ትብል መስራቲት ኣዲስ ስታንዳርድ ጸዳለ ለማ። ኣብ ዝተፈለላየ ማዕከናት ዜና ዓለም ብምቕራብ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ኵነታት ትንታነ እትህብ ጸዳለ ለማ፡ ጉዳይ ኦሮምያ ግን ብዝተፈላለየ ርእሰ ዜናታት ተቐቢሩ እዩ ትብል። ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኽስተ ውግእ ምዃኑ ትገልጽ። ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ዝተኸስተ ውግእ፡ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ኦነግ\/ሸኔን ህወሓትን ኣሸበርቲ ጕጅለታት እዮም ክብል ምእዋጁ ይዝከር። ኦነግ\/ሸኔ ኣብ ዝተፈላለየ ግዝያት ኣብ ሰላማዊ ዜጋታት መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ክውቀስ እኳ እንተጸንሐ፡ እቲ ጕጅለ ግን ሓላፍነት ካብ ምውሳድ ተቘጢቡ ኣሎ። ጸዳለ ከምእትብሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ፖለቲካዊ መድረኽ ክኸፍት፡ እሱራት ክፈትሕ፡ ቁጠባዊ ጽገና ክገብር እንከሎ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ግን ግጭት ይካየድ ነይሩ። “ዋላ’ኳ ማሕበረ ሰብ ዓለምን መራኸቢ ብዙሃንን ሸለል እንተበልዎ፡ ናይ ኦሮሞ ናይ ናጽነት ሓይሊ፡ ካብ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ተነጺሉ ግጭት ክጅምር እንከሎ ሚድያታት ውሽጢ ሃገር ይጽብጽባ ነይረን። ብምቕጻል ማሕበረ ሰብ ዓለም፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንሕቶ ህዝቢ ኦሮሞ ምላሽ ከምዝህብ እኳ እንተረኣዮ፡ ኣብ ሰሜን ምስ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ውግእ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ግን፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ጽቡቕ ዜና ኣይነበረን። ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ክልል ኦሮምያ ዘለው ተወለድቲ ኣምሓራ መጥቃዕቲ ይፍጽም ኣሎ ዝብል ወረ ምስተሰምዐ፡ ፋኖ ዝተባህለ ሓይሊ ምላሽ ከምዝሃበ ክስማዕ ጀሚሩ። እቶም ተንተንቲ ከምዝብልዎ እቲ ግጭት ዝካየደሉ ቦታ ኣዝዩ ርሑቕ ብምዃኑ፡ ካብ ኣዒንቲ መራኸቢ ብዙሃንን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ንኽስወር ምኽንያት ኰይኑ እዩ። “ኣብ ደቡብን ምዕራብ ኦሮምያን ዝጀመረ ግጭት ይሰፍሕን ናብ ማእከል ሃገር ይልሕምን ኣሎ። ኣገልግሎት ኮምዩኒኬሽን ምቍራጹ ከኣ፡ ሽፋን ሚድያ ንኸይወሃብ ኣስተዋጽኦ ገይሩ እዩ።” ቢቢሲ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜያት መጥቃዕቲ ከጋጥም እንከሎ ዘዘራረቦም ሰላማውያን ሰባት፡ ብሰንኪ መንነቶም ኣደዳ መጥቃዕቲ ከምዝዀኑን ቤት ንብረቶም ገዲፎም ከምዝተፈናቐሉ ይዛረቡ። ሓደ ካብኣቶም ወዲ 37 ዓመት ነባሪ ሆሮ ጉድሩ፡ መንግስቲ ካብቶም ዕጡቓት ሓይልታት ንዘጋጠሞ መጥቃዕቲ ክከላኸለሉ ከምዘይከኣለ ይዛረብ። ብፍላይ እቶም ኣብ ምዕራብ ወለጋ ዝነብሩ ተወለድቲ ኣምሓራ ብተደጋጋሚ ንዘጋጥሞም መጥቃዕቲ ንሰራዊተ ነጻነት ኦሮሞ ተሓታቲ ብምግባር መንግስቲ ዝግባኦ ሓለዋ ኣይገበረልናን ይብሉ። ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ብወገኑ፡ “ነቲ መጥቃዕቲ ኣይፈጸምናን፤ ተሓታቲ መንግስቲ እዩ” ዝብል ምላሽ ብምሃብ እቲ ፍጻመ ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረ ይሓቱ። “እዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ኣብ ክንዲ ግጭት ዝበሃል ኵናት ተባሂሉ ክጽዋዕ ይሓይሽ” ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጄምስ ማዲሰን  ኣፍሪቃዎ ታሪኽ ዝምህር ተመራማርን ፕ\/ር ኢታና ሃብተ። እቲ ተመራማሪ ኣብ ዝተፈላለየ ካባቢታት ኦሮሞያ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዜጋታት መጥቃዕቲ ክካየድ እንከሎ መንግስቲ ውሕስነቶም ናይ ምክትታል ሓላፍነቱ ኣይፈጸመን ኢሉ ይኣምን። እቲ ምሁር፡ መንግስቲ ግጭት ኣብ ዘለዎ ከባቢ ነቲ ኵነታት ናይ ምቍጽጻር ዓቕሚ ኣለዎ። ይዅን እምበር ድሌት ይሃልዎ ኣይሃልዎ ግን ርግጸኛ ኣይኰነን። ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ግጭት ኣብ ዝካየደሉ ቦታታት ዝነብሩ ነበርቲ ንዘቕርብዎ ቅሬታ ብዝምልከት ካብ ናይቲ ክልል ቤት ጽሕፈት  ኮምዩኒኬሽን ይዅን ኮምዩኒኬሽን ፈደራል ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ኣይሰመረን። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ግዝያት ንዝተኸስቱ ግጭታት ብዝምልከት መርመራ የካይድ እንተሎ ዝሓተትናዮ ኮሚሽነር ዳንኤል በቀለ (ዶ\/ር) “ሓበሬታ ንእክብ ኣለና፤ መርመራና ምስ ወዳእና ነቲ ውጽኢት ከነቕርቦ ኢና” ክብል ምላሽ ሂቡ። ብኻልእ ወገን ዓለማዊ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ናብቲ ኣከባቢ ብምኻድ ነቲ ጉዳይ ይምርምርዎ እንተልዮም ንኸነጻሪ ንዘዛራረብናዮም ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን “ንግዚኡ ርእይቶ ክንህብ ኣይንኽእልን ኢና” ዝብል ምላሽ ሂቦሙና። ጸዳለ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ካብ ካልኦት ዝሓሸ ሓበሬታ ናይ ምርካብ ዕድል ኣለዎ ኢላ’ኳ እንተኣመነት፡ “እቲ ትካል ዘውጸኦ ጸብጻብ ኣዘራራቢ ምዃኑ ነቲ ተበግሶ ጐዲእዎ እዩ” ኢላ ትግምት። “ዘይሻራዊ ሪፖርት'ኳ እንተውጽኡ እቲ ጉዳይ ኣዘራራቢ ስለዝኸውን፡ እቲ ጉዳይ ንተበግሶኦም ዝተንከፎ ኰይኑ ይስምዓኒ። ከምኡ ክኸውን ዘይግበኦ'ኳ እንተነበረ፡ ኣስተዋጽኦ ግን ኣለዎ” ከኣ ትብል። እቶም ተንተንቲ፡ ካልኦት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግጭት ኦሮምያ ልክዕ ከም ኲናት ትግራይ ተኸታቲሎም እኳ እንተዘይመርመርዎ፡ ቅድሚ ሽዑ ዝተወሰነ መርመራ ምክያዶም ግን ክርሳዕ ኣይደልዩዎን እዮም። ንሳቶም ከምዝብልዎ እቲ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ምኽንያት ልክዕ ከም መራኸቢ ብዙሓን ዓለማዊ ማሕበረሰብን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ነቲ ጉዳይ ሸለል ንኽብልዎ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ፕሮፌሰር ኢታና፤ “እቲ ሕቶ ቅድሚ 2018 እንተዝሕተት ቅልል ዝበለ መልሲ ምሃብኩ ነይረ” ብምባል ሕጂ ግን እቲ ጉዳይ ኣዝዩ ስለዝተሓላለኸ ብቐሊሉ ምላሽ ክትህበሉ ዝከኣል ኣይመስለንን ይብል። ኣሰናዳኢት ጋዜጣ ኣዲስ ስታንዳርድ ጸዳለ ለማ ብወገና ነቲ ጸገም ፖለቲካዊ ፍታሕ ንኽርከበሉ፡ “መንግስቲ ፍቓደኛ ኣይኰነን” ዝብል ስግኣት ኣለዋ። ጸዳለ፡ መንግስቲ ንሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ኣሸባሪ እዩ ብምባል ኣፍልጦ ምኽልካሉ ነቲ ጉዳይ ከም ቁም ነገር ንኸይርእዮ ዓቢ ተራ ከምዝተጻወተ ትዛረብ። “ሰልፍታት ኦሮሞን ሓደ ሓደ ፖለቲከኛታትን ኣብ መንግስቲ ስልጣን ተዋሂቡዎም እዩ። ንዕኡ ዝተቓወሙ ካልኦት ሰልፍታት ግን ካብቲ ፖለቲካዊ መድረኽ ተደፊኦም ወጺኦም እዮም።” መንግስቲ ንሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ኣፍልጦ ክህብ ኣይደልን እዩ እትብል ጸዳለ፡ ከምኡ እንተዘይተገይሩ ከኣ ፖለቲካዊ ፍታሕ ኣይመጽእን እዩ ዝብል እምነት ኣለዋ። ፕሮፌሰር ኢታና ከኣ እቲ ፈለማ ክግበር ዘለዎ እቲ ውግእ ደው ምባል እዩ ይብል።  “እቲ ውግእ ደው እንተዘይሉ ዝርርብ ምክያድ ኣይከኣልን እዩ።” “ድሕነት ህዝቢ ተሓልዩ፡ እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ኣፍልጦ ተዋሂብዎ፡ ሕቶታት ናብ ጠረጴዛ ቀሪቡ ዝርርብ ክግበረሉ ይግባእ።” ምስዚ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ምክልት ኣመሓዳሪ ክልል ኦሮምያ ኣወል ኣብዲ እቲ ክልላዊ መንግስቲ ነቲ ዘጋጥም ዘሎ ሽግር ጸጥታ ፍታሕ የናድየሉ ከምዘሎ ንመራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ተዛሪቡ። ይዅን እምበር ሕጂ እውን እንተዀነ ሰላማውያን ሰባት ኣብ ስግኣት እዮም ዝነብሩ ዘለው። ኣበየነይቲ ደቒቕ፡ ቤቶምን ንብረቶምን ገዲፎም ክስደዱ ከምዝኽእሉ ኣይፈልጡን እዮም። ብዙሓት ንብዓቶምን ብኽያቶምን ንፈጣሪ ካብ ምስማዕ ካልእ ምርጫ ዘለዎም ኣይመስልን።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3gp9901lq7o"} {"headline":"ኣብ መጥቃዕቲ ምዕራብ ወለጋ 338 ሰባት ከምዝተቐትሉ መንግስቲ ገሊጹ","content":"በቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ምዕራብ ወለጋ ብዕጡቓት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡  338 ሰባት ከምዝተቐትሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ብ20 ሰነ 2014 ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ወለጋ፡ ወረዳ ጊምቢ፡ ቶለ ቀበሌ፡ ብሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ከምዝተፈጸመ ዝተገልጸ ‘ዓሌት ተኮር’ መጥቃዕቲ  ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰባት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ። ቑጽሪ ምውታት ዝምልከት ዝተፈላለዩ ኣሃዛት ክወጽኡ እንከለው ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝሞቱን ኣሽሓት ከምዝተመዛበሉን ተገሊጹ እዩ። ፕረስ ሴክረታሪ ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ቢልለኔ ስዩም፡ ትማሊ ሓሙስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለፂ፥ በቲ መጥቃዕቲ 338 ሰባት ከምዝሞቱ ገሊጻ። ንሳ ወሲኻ፡ ፖሊስ ነቲ መጥቃዕቲ ይምርምሮ ከምዘሎን፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ነቲ መጥቃዕቲ ንምጽራይ ንዝቐረቦ ሕቶ መንግስቲ ከምዝነጸጎን ተዛሪባ። \"ኢትዮጵያ ናይ ምጽራይ ዓቕሚ ዘይብላ ዘምስል\" ስለዝኾነ ከምዝተነጽገ'ውን ጠቒሳ። ብዘይካ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ካልኦት ፖለቲካዊ ውድባትን ዘይመንግስታውያን ትካላትን እቲ ቅትለት ናጻ መርመራ ክካየደሉ ጸዊዖም ኣለዉ። ኣብ ምዕራብ ወለጋ፡ ወረዳ ጊምቢ ቀበሌ ቶሌ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ተወለድቲ ኣምሓራ ዝተቐትሉ፡ ብኦነግ ሸኔ ከም ዝተፈጸመ እዩ ብመንግስቲ ተገሊጹ፡፡ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ግን እቲ መጥቃዕቲ፡ መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ብዝወደቦ ፍሉይ ሚልሻ ከም ዝተፈጸመን ኣብቲ እዋን ሰራዊቱ ኣብቲ ከባቢ ከም ዘይነበረን ገሊጹ፡፡ እቲ ቅትለት፡ ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረ እውን እቲ ጉጅለ  ሓቲቱ'ሎ፡፡ ማሕበር ኣምሓራ ኣብ ኣመሪካ፡ 503 ሰባት በቲ መጥቃዕቲ ከምዝሃለቑ ዝገለጸ ዀይኑ፡ 399 ሰባት መንነቶም ከምዝተነጸረ ድማ ኣፍሊጡ። ካብቲ ህልቂት ዝደሓና መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን፡ እቲ መጥቃዕቲ ብግንባር ሓርነት ኦሮሞ ከምዝተፈጸመ ይገልጻ። እቲ ጉጅለ ግን ነቲ ክሲ ነጺጉ፡ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዘይሻራዊ መርመራ ክካየድ ጸዊዑ። ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ሚሸል ባቸለት: በቶም ዕጡቓት ቁፅሮም ዘይተፈልጠ ሰባት ከምዝተጨውዩ ብምሕባር፣ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅልጡፍ፣ ዘይሻራዊን ዕሙቕ ዝበለን ምርመራ ከካይዱ ፀዊዖም። እቲ ኮሚሽን ንመሰኻኽር ዓይኒ ጠቒሱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ: ኣብቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ኣምሓራ ዝነብርሉ ቶለ ቀበሌ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዝርከብዎ ኣማኢት ሰባት ከምዝተቐትሉ፣ ሓያሎ ኣባይቲ ብምንዳድ ብውሕዱ 2000 ሰባት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ እውን ሓቢሩ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cjq9z111dyzo"} {"headline":"ኣብ ክልል ኦሮምያ ቁጽሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጽበዩ ሰባት ወሲኹ - ሕቡራት ሃገራት","content":"ኣብ ክልል ኦሮምያ እናተጋደደ ዝመጸ ጎንጺ፡ ቁጽሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጽበዩ ነበርቲ ክውስኽ ከምዝገበረ ቤት ጽሕፈት ኣወሃሃዲሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት (ዩኤን ኦቻ) ገሊጹ። ኣብቲ ክልል ቁጽሪ ተፈናቐልቲ ካብ ምውሳኽ ሓሊፉ፡ ኣብ ቀረብ መሰረታዊ ኣገልግሎት እውን ጸቕጢ ከምዝተፈጠረ እዩ እቲ ጸብጻብ ዘመልክት። በሰንኪ እቲ ተጋዲዱ ዝቐጸለ ጎንጺ፡ ዛጊድ ክንደይ ዝኣኽሉ ነበርቲ ከምዝተፈናቐሉ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ እኳ እንተኾነ፡ ሰብ መዚ እቲ ክልል ከምዝሓበርዎ፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ 106 ሽሕ ነበርቲ ኣብ ሆሮ ጉድሩ ድማ  116 ሽሕ ነበርቲ ተፈናቒሎም ኣለዉ። “ኣብቲ ክልል ተደራረብቲ ጎንጺታት ምፍጣሮም ጠለብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክውስኽ ምኽንያት ኮይኑ እዩ። ነቲ ጎንጺ ስዒቡ ድማ ነበርቲ ካብ ቤት ንብረቶም ይፈናቐሉ ኣለዉ ” ይብል ኦቻ  ኣብቲ ብ 28 ሕዳር 2015 ኣቆጻጽራ ግእዝ ዘውጸኦ ጸብጻብ። ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ብዝተፈጸሙ ዓሌት መሰረት ዝገበሩ መጥቃዕቲታት ሰላማውያን ሰባት ግዳይ ምዃኖም እናተገለጸ ጸኒሑ እዩ። ብፍላይ ኣብ ምብራቕ ወለጋ ኣብ ዝርከቡ ወረዳታት ጊዳ ኣያናን ኪረሙን ብዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ብዙሓት ከምዝሞቱን ብምኢቲ ሽሕ ዝቑጸሩ ከምዝተፈናቐሉን ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም እዮም። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ 28 ሕዳር 2015 ኣቆጻጽራ ግእዝ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ ብሰንኪ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ዝተወለዑ ጎንጺታት ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ቅትለት፡ ጉድኣት ኣካልን ምፍንቓልን ከበድቲ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ። ቀንዲ ተዋሳእቲ እቲ ኣብዚ ሰሙን ዝተወለዐ ጎንጺ መንግስቲ ሸኔ ኢሉ ዝጽወዖ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ዕጡቓት ኣምሓራን ከምዝኾኑ ዝሓበረ እቲ ኮምሽን፡ ኣብ ዞቦታት እቲ ክልል ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ብዘሰቅቕ ኩነታት ብዕጡቓት ከምዝተቐተሉን ቁጽሮም ዘይተፈለጠ ድማ ኣካላዊ መጉዳእቲ ከምዝበጸሖምን ገሊጹ። ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ኣብዚ ሰሙን ክንደይ ዝኣኽሉ ነበርቲ ከምዝተፈናቐሉ'ኳ እንተዘይተፈለጠ፡ ቁጽሪ ናይቶም ዛጊድ ተፈናቒሎም ሓገዝ ዝጽበዩ ሰባት ከምዝወሰኸ ሓቢሩ። እቲ ክልል ነቶም ካብ ገዝኦም ዝተፈናቐሉ ነበርቲ ተወሳኺ መጽለሊ የዳሉ ከምዘሎ እውን እቲ ጽብጻብ ኣመልኪቱ። ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን ቁጽሪ ሓገዝ ዝጽበዩን ዝመጣጠን ከምዘይኮነ ዝገለጸ ኦቻ፡ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ዝደልዩ 19 ሽሕ ስድራቤታት፡ እቶም 1100 ጥራሕ፡ ኣብ ምብራቕ ወለጋ ሓገዝ ካብ ዝደልዩ 30 ሽሕ ስድራቤታት ድማ 9337 ጥራሕ ሓገዝ ከምዝረኸቡ ገሊጹ። እቲ ትካል፡ ብሰንኪ ሕጽረት በጀትን ሰብኣዊ ሓገዝ ዘሳልጡ መንገድታት ምስኣንን፡ ኦሮምያ ሓዊሱ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዘብጸሐሎም ከባቢታት፡ ካብቶም ሓገዝ ዝደልዩ ነቶም ፍርቂ ዝኾኑ እኳ ከብጽሕ ከምዘይከኣለ ኣብ ጸብጻቡ ኣካቲቱ ኣሎ። ብፍላይ ብድርቂ ኣብ ዝተጠቕዑ ከባቢታት እቲ ክልል ድማ ድዳኸ ህጻናት ከምዘጋጠመ ኦቻ ጠቒሱ። ዛጊድ ምርመራ ካብ ዝተገበረሎም 563 ሽሕ ህጻናት፡ ኣብቶም 1.96 ምኢታዊት ዝኸፈአ ከምኡ ድማ ኣብ 18 ምኢታዊት ውሱን መጠን ድዳኸ ተራእዩ ኣሎ። ሕማማት ኮሌራን ንፍዮን ከምኡ እውን ሕጽረት ምግቢ ንኩነታት ናይቶም ኣብቶም ብድርቂ ዝተጎድኡ ከባቢታት ዘለዉ ህጻናት ከምዘጋደዶ እውን ጸብጻብ ኦቻ ወሲኹ ሓቢሩ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c518j4xee7mo"} {"headline":"ሰራዊት ፌደራል ናብተን መጥቃዕቲ ዝተፈጸመለን ዞባታት ወለጋ ተዋፊሩ","content":"ሰራዊት ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ናብተን መንነት ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመለን ዞባታት ወለጋ ከምዝተዋፈረ ተገሊጹ። ኣብ ዞባታት ምብራቕ ወለጋን ሆሮ ጉዱሩ ወለጋን ብዝተፈጸመ ብሄር መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ከምዝሞቱን ኣማኢት ኣሽሓት ድማ ከምዝተመዛበሉን ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ። ነበርቲ፡ ኣብ ከባቢኦም ብዝተፈጸመ ግጭት ንጉጅለታት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ዕጡቓት ኣምሓራን ይወቅሱ። ኣብዚ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተፈጸመ ግጭት፡ ቀንዲ ተሳተፍቲ መንግስቲ 'ሸኔ' ዝብሎ ጉጅለን ዕጡቓት ኣምሓራን ምዃኖም ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ንቢቢሲ ሓቢሩ። \"ኣባላት ሓይልታት ፌደራል ናብ ከተማ ኣንገር ጉተን ካብ ዝኣትዉ ንደሓር ኣብቲ ከባቢ ምምሕያሽ ጸጥታ ተራእዩ'ዩ\" ክብል ሓደ በዓል ስልጣን ወረዳ ጊዳ ኣያና ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ሰራዊት ፌደራል፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ኣብ ዞባ ምብራቕ ወለጋ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ድማ ኣብ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ተዋፊሩ ይርከብ። ብዛዕባ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዝፍጸም ዘሎ ቅትለት፡ ምምዝባልን ዕንወት ንብረትን ስቕ ክብል መሪጹ ዝጸንሐ መንግስቲ ፌደራል፡ ብዙሓት ሰባት ድሕነት ዜጋታት ክረጋገጽ ብሰፊሑ ኣብ ዝጠልቡሉ ዘለዉ እዋን እዩ ሰራዊቱ ናብተን ዞባታት ኣዋፊሩ ዘሎ። ፖለቲከኛታት፣ ፖለቲካዊ ውድባትን ማሕበራትን፡ መንግስቲ ድሕንነት ዜጋታት ክሕሉ ክሓቱ ጸኒሖም እዮም። ትማሊ 27 ሕዳር 2015 ቤት ምኽሪ ሲቪላዊ ማሕበራት ኢትዮጵያ ኣብ ዞባታት ወላጋ ብዘጋጥም ዘሎ ሞት፡ ምምዝባልን ስቓይን ዜጋታት ኣዝዩ ከምዘሻቐሎ ብምግላጽ መንግስቲ፡ ድሕንነት ዜጋታት ንምርግጋፅ ዘለዎ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ፀዊዑ። ፖለቲከኛ ጃዋር መሓመድ እውን ነቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዘሎ ቅልውላው መፍትሒ እዮም ዝበሎም ለበዋታት ዘበርከተ ክኸውን እንከሎ፡ መንግስቲ ተኹሲ ደው ኣቢሉ ምስ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ክዛተ ኣለዎ ኢሉ። ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣብን)፡ ኢትዮጵያዊያን ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ)፡ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ)ን ካልኦት ፖለቲካዊ ውድባትን ብዛዕባ እቲ ኣብ ወለጋ ዝፍጸም ዘሎ ቅትለት ዜጋታት ዘለዎም ስክፍታ ብምግላጽ መንግስቲ ሓላፍነት ክወስድ ሓቲቶም። ሰራዊት መንግስቲ ፌደራል ኣብቶም ከባቢታት ከምዝተዋፈረ ይንገር እኳ እንተሎ፡ እቲ ካብቲ ግጭት ክሃድም ካብ መረበቱ ዝተመዛበለ ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ይግለጽ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ኣብ ዞባታት ወለጋ ብዘጋጠመ ጎንፂ ኣብ ልዕሊ ሰባትን ንብረትን ዘስዓቦ ጉድኣት ዛጊት እኳ እንተዘይተፈለጠ፡ ነበርቲ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ግን ኣብ ሓደ ለይቲ ካብ 60 ዘይውሕዱ ሰባት ከምዝሞቱ ገሊፆም’ዮም። ሰባት ብሰንኪ መንነቶም ዒላማ መጥቃዕቲ ከምዝኾኑ ዝገለጸ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዘስዓቦ ጉድኣት ይምርምር ከምዘሎ ንቢቢሲ ሓቢሩ'ሎ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4nklm0xpe5o"} {"headline":"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣሲሮም ዝነበሩ ተምሃሮ መብዛሕትኦም ከም ዝተፈትሑ ፖሊስ ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ብሰንኪ ባንዴራን መዝሙርን ክልል ኦሮምያ ብዝተለዓለ ናዕቢ ተኣሲሮም ዝነበሩ ተምሃሮ መብዛሕትኦም ከም ዝተፈትሑ ፖሊስ ኣፍሊጡ። ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ትምህርቲ መንግስቲ ብዝተፈጠረ ናዕቢ ብዙሓት ተምሃሮ ከም ዝተኣሰሩን፡ መብዛሕትኦም \"ኣድላዪ ምኽሪ ተዋሂብዎም ከም ዝተፈትሑን\" ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ትማሊ ረቡዕ 12 ታሕሳስ 2015 ኣቆጻጽራ ግእዝ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። እቶም ተምሃሮ \"ብስምዒት ዝተደፋፍኡን ብዘይፍላጥ ጸረ-ሰላም ሓይልታት\" ከም ዝተጠቐሙሎምን ገሊጹ። እቲ መግለጺ፡ “ዝተኣሰሩ ተምሃሮ ኣይተፈትሑን” ዝብል ሓበሬታ ዝዝርግሑ ዘለዉ \"ግጭት ከም ፖለቲካዊ መኽሰብ ዝረኽበሉ መንገዲ ብምጥቃም ሓድነት ሕብረተሰብ ኣብ ዘዕኑ ንጥፈታት ዝተዋፈሩ ጸረ-ሰላም ሓይልታት\" ምዃኖም ጠቒሱ። እንተኾነ፡ ክንደይ ተምሃሮ ከም ዝተኣሰሩን ቁፅሪ እቶም ተፈቲሖም ዝተብሃሉ ተምሃሮ ክንደይ ከምዝኾነን ኣይተጠቕሰን። ብዘይካ ተምሃሮ ኣባላትን መምህራንን ሰልፊ ባልደራስ ኣብ ገለ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ባንዴራን መዝሙርን ክልል ኦሮምያ ብዝምልከት ብዝተለዓለ ናዕቢ ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ይዝከር። ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ምስ እዚ ብዝተኣሳሰር ኣብቶም \"ሕቡእ ኣጀንዳ” ኣለዎም ዝበሎም ኣካላት ሕጋዊ ስጉምቲ ይውሰድ ከም ዘሎ ገሊጹ። ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብተን ኣብያተ ትምህርቲ ዝነበረ ፀገም ፀጥታ ምስ መምህራን፡ ወለድን መራሕቲ ኣብያተ ትምህርትን ብምዝታይ ክፍታሕ ከም ዝኸኣለ ኣፍሊጡ። ይኹን እምበር ነቲ ፀገም ዝተውሃበ መፍትሒ ብዝምልከት ኣብቲ መግለፂ ዝተበሃለ ነገር የለን። ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ምስ ባንዴራን መዝሙርን ክልል ኦሮምያ ተተሓሒዙ ብተደጋጋሚ ናዕቢ ድሕሪ ምልዓሉ ዝተፈላለየ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈጸሙ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመጉ) ብ3 ታሕሳስ 2015 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ ነይሩ። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብተን ኣብያተ ትምህርቲ ሰላም ከም ዝጠፍአ፡ ኣካላዊ መጉዳእቲ ከምኡ’ውን ዕንወት ንብረትን ካልእ ጉድኣትን ከም ዘስዓበ ገሊጹ ነይሩ። ኢሰመጉ ወሲኹ፡ \"መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከባ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ዝካየድ ዘሎ ናዕቢ እኹል ቆላሕታ ሂቡ፡ እቲ ጉዳይ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ቅድሚ ምውጽኡ ህጹጽን ነባሪን ፍታሕ ክህብ ይግባእ\" ምባሉ ይዝከር። ሓላፊ ናይቲ ብመንግስቲ ዝመሓደር መሰላት ህዝቢ ንምሕላው ዝከታተል ኣካል፡ ትካላት ትምህርቲ ካብ ዝኾነ ዓይነት ሃይማኖታዊ፡ ፖለቲካዊ ወይ ባህላዊ ጽልዋ ነጻ ምዃነን ይገልጽ። ኣብ ከምዚ ኩነታት \"ትካልና ባንዴራ ኣምሓራ፡ ብሄረሰባት ደቡብን ሲዳማን ይኹን ካልእ ክልል ኣብ ቤት ትምህርቲ ክስቀልን ክልላዊ መዝሙር ክዝመርን ዘገድድ ሕጋዊ ይኹን ሞራላዊ መሰረት ኣሎ ኢሉ ኣይኣምንን\" ኢሉ። ወሲኹ ድማ \"ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ባንዴራ ካልእ ክልል ንምስቃል ብቑዕ ምኽንያት እንተሃልዩ’ውን ፍቓድ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ክረክብ\" ከም ዘለዎ ሓቢሩ። ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒን ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራን፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ባንዴራ ኦሮምያ ምስቃልን መዝሙር ምዝማርን ብዝምልከት ተቓውሞኦም ምግላጾም ይዝከር።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2dgrzkxzyo"} {"headline":"ምንቅስቓስ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ዝፈጥሮ ዘሎ ስግኣትን","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ይቕጽል ብዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ብፍላይ ድማ ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ብሄር መሰረት ዝገበረ ወጥሪ ተጋዲዱ ይርከብ። ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዘይኣተዎም ከተማታት እናተጸግዐ መጥቃዕቲ ይፍጽም ኣሎ። ሓደሽቲ ተዓለምቲ ኣሰልጢኑ ኣብ ከተማታት የመርቘም ኣሎ። ምስቲ ጕጅለ ምዝርራብ ዝብል ዕድል ኣጽቢቡ ዕሽሽ ዝበለ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ቅልውላው ወተሃደራትን ድሮናትን ኣዋፊሩ ክፈትሖ’ዩ ዝፍትን ዘሎ። እቲ ኵነታት ዝያዳ ዝተጋደደሉ ምኽንያት ድማ ሚሊሻታት ኣምሓራ ናብ ኦሮምያ ኣትዮም ምስ ዕጡቓት ይዋግኡ ኣለዉ ምስተበሃለ’ዩ። ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ንገዛእ ርእሱ ከም ብሄርተኛ ሓይሊ ገይሩ ክገልጽ እንከሎ፡ ምስ ተቓወምቲ ሓይልታት ርክብ ብዘለዎም ማዕከናት ዜና ኣፍልጦ ተዋሂብዎ’ዩ። ቅድሚ ሒደት ዓመታት ግን ካብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ተገሊሉ’ዩ ጸኒሑ። መንግስቲ ዘቘሞ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ኦሮምያ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፡ “ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ጭካነ ብዝተመልኦ ተግባር ተቐቲሎም” ኢሉ። ሕቡራት መንግስታት ብወገኑ ኣብ ሕዳር ጥራይ ልዕሊ 700 ሽሕ ሰባት ከምዝተመዛበሉ ብምግላጽ፡ ኣብ ፈለማ ታሕሳስ ድማ ኣስታት 220 ሽሕ ሰባት ካብ ቤቶም ከምዝተመዛበሉ ተፈሊጡ። ኣብቲ ጐንጺ ዝሳተፉ ዘለዉ ኵሎም ሓይልታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘይፈጸሙ’ዮም ዝገልጹ። ተዋጋእቲ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ናብ ነቀምቴ ኣትዮም ከምዝነበሩ ዝፍለጥ ኰይኑ እቲ ዓዲ ናብ ኣዲስ ኣበባን ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ዘራኽብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ቦታ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ኣብ ነቀምቴ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝሃቦ ርእይቶ የለን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣብ ካልኦት ዝተፈጸሙ መጥቃዕታት ርእይቶ ክህብ ኣይርአን። ኣባላት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኣብ ነቀምቴ ንናይ ፖለቲካ እሱራት ሓራ ከምዘውጽኡ ተዛሪቦም ነይሮም። ነበርቲ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መጠይቕ፡ ኣብ መንጐ ዕጡቓትን ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ብዝተኻየደ ተዅሲ ህይወት ሰለማውያን ሰባት ጠፊኡ’ዩ። በቲ መጥቃዕቲ ክልተ ደቁ ከምዝስኣነ ሓደ ነባሪ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ገሊጹ። ወተሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ገዛኡ ከምዝተኮሱ ዝገለጸ እቲ ሽሙ ዘይንጠቕሶ ነባሪ፡ “ናብ ቤተ ክርስትያን ክንከይድ ኢልና ኢና ካብ ድቃስና ተሲእና። ኣብ ደገ ተዅሲ ይስማዕ ስለዝነበረ ግን ኣይከድናን። ክልቲኦም ደቀይ ኣብ ገዛኦም እንከለዉ ተቐቲሎም” ኢሉ። ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኣብ ከተማ ጎሮ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ኢድ ምስረኸቡ፡ መናእሰይ እቲ ከባቢ ኣብ ኵናት ንዝቘሰሉ ዕጡቓት ክሽከሙ የገድድ ከምዝነበረ ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም። እቶም መናእሰይ ንዕጡቓት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ የገዓዕዙ ኣብ ዝነበርሉ ግዜ፡ መጥቃዕቲ ድሮን ከምዝተፈጸሞም ተገሊጹ። ሓደ ልቡ ብሓዘን ተሰይሩ ንቢቢሲ ቃለ-መጠይቕ ዝሃበ ነባሪ እቲ ከባቢ ሰለስተ ተመሃሮ ኣሕዋቱ ከምዝተቐተልዎ ተዛሪቡ። “ኣሕዋተይ ኣይቀበርክዎምን። ዋላ ሓንቲ ክፋል ኣካላቶም ኣይተረኸበን” ኢሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ልክዕ ከምቲ ኣብ ትግራይ ዝተጠቕመሉ ስትራተጂ፡ ኣብ ኦሮምያ’ውን ብተመሳሳሊ ንሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ንምግታእ ተመሳሳሊ ወተሃደራዊ ስትራጂ ይጥቀም ምህላዉ ስግኣት ፈጢሩ’ዩ። ኣብ ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩብ ተንታኒ ጉዳያት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዊልያም ዴቪድሰን፡ “ኣብ ትግራይ ብዝተፈጸሙ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ሰለማውያን ሰባት’ኳ ዝተጐድኡ እንተዀኑ ቀንዲ ዕላማ ኣብ ወተሃደራዊ መካይንን መሳርሒታትን’ዩ ነይሩ። ኣብ ኦሮምያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ግን ኣብ ስነ ስርዓት ምረቓ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ’ዩ” ኢሉ። ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ነበርቲ ፈትዮም ከይኮነስ ተገዲዶም ከምዝዀኑ ሓደ ነባሪ ንኣሶሽየትድ ፕረስ ተዛሪቡ። ኣብቲ ሽዑ ግዜ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ድማ ሰለማውያን ሰባትን ወተሃደራት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ከምዝተቐተሉ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ሓቢሮም። ማእከሉ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝገበረ ተንታኒ ፖለቲካ መብራቱ ከለቻ ብድጋፍ ህዝቢ ኦሮሞ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝጨበጠ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ በቲ ሕጂ ዘጋጥም ዘሎ ናዕቢ ክቕልበስ ከምዝኽእል ይገልጽ። ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ድማ ነዚ ንናይ ባዕሉ ፖለቲካዊ ፕሮፖጋንዳ ክጥቀመሉ ይኽእል’ዩ። ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡ “ኦሮምያ ናይ ገዛእ ርእሳ ምሕደራ ይሃልዋ” ዝብል መርገጺ ከምዘለዎ ይፍለጥ። እዚ እንታይ ማለት ከምዝዀነ ብንጹር ዝፍለጥ ነገር’ኳ እንተዘየለ፡ ነቲ ጕጅለ ዝነቕፉ ሰባት ግን “ኦሮምያ ካብ ኢትዮጵያ ክትንጸል’ዩ ዝደሊ” ዝብል ስግኣት ኣለዎም። ሸቕለት ኣልቦነት ብምውሳኹ፡ ተቓወምቲ ውድባት ፖለቲካ ስለዝተዓፈኑን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ቋንቋ ኦሮምኛ ማዕረ ቋንቋ ኣምሓርኛ ብዘይምግባሩን ንሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ናይ ምድጋፍ ዝንባለ ይርአ’ሎ። ዊልያም ዴቪድሰን ብወገኑ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ካብቲ ሕጂ ዘለዎ ዓቕሚ ተጋኒኑ ክርአ ከምዘይብሉ ኣጠንቂቑ። ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ክንደይ ዝኣኽሉ ወተሃደራት ከምዘለዎ ብንጹር ዘይፍለጥ ኰይኑ ባንክታት ብምዝራፍ፡ ነጋዶን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዓጊቱ ገንዘብ ብምውሳድ ይኽሰስ’ዩ። ቅድሚ ሕጂ 17 ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ስሚንቶ ዳንጎቴ ዓጊቱ፡ ካብ 300 ክሳዕ 500 ሽሕ ብር ኣኽፊሉ ከምዝለቐቖም ምንጭታት ቢቢሲ ሓቢሮም። ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ብፍላይ ኣብ ኦሮምያ ዝቕመጡ ሓረስቶት ተወለድቲ ኣምሓራ ብምቕታል ብተደጋጋሚ ይኽሰስ። ፋኖ ዝተበሃለ ሚሊሽያ ኣምሓራ ድማ ኣብ ኦሮምያ ንዝቕመጡ ሓረስቶት ኣምሓራ ክከላኸል ይጽዕር ከምዘሎ ይዝረብ። ፋኖ ኣብ ኦሮምያ ሓሙሽተ ወረዳታት መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ዝተገለጸ ኰይኑ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ 244 ሰለማውያን ኦሮሞ ከምዝተቐተሉን 25 ሽሕ ከብቲ ከምዝተዘመታን ተዛሪቡ። ፋኖ ኣብቲ ምስ ሓይልታት ትግራይ ዝተገበረ ኵናት ተሳቲፎም ነቲ ልሙዕ መሬት ዝዀነ ምዕራባዊ ትግራይ ንምቍጽጻር ከምዝተጠቐምሉን ብተመሳሳሊ ኣብ ኦሮምያ ከምኡ ዓይነት ነገር ክኽሰት ከምዝኽእል ዝሰግኡ ሰባት ኣለዉ። እንተኸነ ፋኖ ናብ ኦሮምያ ምእታዉ ዘይኣምኑ ተወለድቲ ኣምሓራ ድሕሪ እቲ ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ብሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንገዛእ ርእሶም ክከላኸሉ ምእንቲ ብመንግስቲ ክልል ኦሮምያ ናይ ሚሊሽያ ታዕሊም ከምዝተወሃቦም ይዛረቡ። ኣባላት ቤት ምኽሪ መንግስቲ ፈደራል ዝዀኑ ተወለድቲ ኦሮሞ፡ መንግስቲ ምስ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ክላዘብ ዝሓተቱ ኰይኖም መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ነቲ ጕጅለ “ፖለቲካዊ ዕላማ ዘይብሉ ራዕዳዊ ጕጅለ’ዩ” ኢልዎ። ግዱሳት ተወለድቲ ኦሮሞ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ነቲ “ዝተረስዐ ኵናት” ኢሎም ዝገልጽዎ ኣብ ኦሮምያ ዘሎ ቅልውላው ትዅረት ክገብረሉ ተማሕጺኖም።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1d8937n8do"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ተቐባልነት ዘለዎ ዘይሻራዊ መርማሪ ኣካል ብኸመይ ምርካብ ይከኣል?","content":"ኣብታ ጐንፅን ኲናት ሕድሕድ ብዝሓሰመ ደረጃ ዝረኣየላ ኢትዮጵያ፣ ፍትሒ ንምምፃእ ካብ ዝሕግዙ ኣገደስቲ ነገራት እቲ ሓደ ኣብቶም ዝተፈፀሙ ገበናት ተሓታትነት ምርግጋፅ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልፁ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሰባትን ንብረትን ኣብ ዝተፈፀሙ ገበናት ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝተሳተፉ ኣካላት ነቲ ዝቐርበሎም ክሲ ኣይቅበልዎን። ብተወሳኺ እዞም ኣካላት ኣብቶም ዝተፈጸሙ ገበናትን ግፍዕታትን ምፅራይ ይካየድ ክበሃል ከሎ ሓደ ዓይነት መርገጺ የብሎምን። ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣንፃር ሓይልታት መንግስቲ ፌደራል ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ፣ ኣብ ኦሮሚያ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓትን ተቓወምትን ኣብቶም ዝተፈጸሙ በደላት ብዘይሻራዊ ኣካል ምርመራ ክግበር ብተደጋጋሚ ፃውዒት ከቕርቡ ይስማዕ። ብኣንጻሩ መንግስቲ ነዚ ጻውዒታት ብወግዒ ክቕበሎ ኣይረኣይን። ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ዓፋር ከምኡ ድማ ደቡብን ምዕራብን ኦሮሚያን ቤንሻንጉል ጉሙዝን ኣብ ዝተወልዑ ጎንፅታት ብዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ግን ብዙሕ ጉድኣት በፂሑ እዩ። ህወሓት ንፖለቲካዊ ሃዋህው ኢትዮጵያ ምስ ዓብለለ፡ ኣብታ ሃገር ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝተፈጸመ ክስታት ይቐርቡ። ግን ድማ ናጻ መርመርቲ ናብታ ሃገር ኣትዮም ክምርምሩ ፍቓድ ሂቡ ኣይፈልጥን። ኣብዚ እዋን ኣንፃር ሰራዊት መንግስቲ ዝዋጋእ ዘሎ ብህወሓት ዝምራሕ ሓይሊ ካብ መጀመርያ ኣትሒዙ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታትን ንዘካየድዎ ሓበራዊ ምርመራ ብምንቃፍ ከም ዘይቅበሎ ወግዓዊ ገይሩ’ሎ። ቀንዲ ሕቶ ህወሓት፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ 'ናጻ ኣይኮነን' ዝብል'ኳ እንተዀነ፡ እቲ ኮሚሽን ግን ነዚ ኣይቅበሎን። ምስ ህወሓት ምሕዝነት ዘለዎ ኣብ ኦሮሚያ ዝርከብ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብወገኑ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብዝተፈፀሙ መጥቃዕቲታት ዝኽሰስ ኰይኑ ነቲ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ዝምርምር ዘይሻራዊ መርማሪ ኣካል ክኣቱ ይጠልብ። እዚ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከም ግብረሽበራዊ ዝፅዋእ ጉጅለ፡ ኣብ ልዕሊ ውሑዳት ዝዀኑ ኣብቲ ክልል ዝነብሩ ሰባት መንነት መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ብዝብል ንዝቐርበሉ ክሲ ኣይቅበሎን። ብዘይካ እዚ ዕጡቕ ጉጅለ ድማ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ)ን ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ)ን እውን ተመሳሳሊ ሕቶ ከቕርቡ ይስምዑ። ክልቲኦም ውድባት ኣብ መንግስቲ እምነት ከም ዘይብሎም ብምግላጽ እዮም ነዚ ሕቶ ዘልዕሉ። \"ዲሞክራስያዊ ስርዓት ብዝጠልቦ ኩነታት ዝተመስረተ መንግስቲ የለን\" ይብል ኣባል መሪሕነት ኦፌኮ ኣይተ ጥሩኔት ገምታ። ብኸምዚ ዝበለ መንግስቲ ዝተመስረተ ትካል ከኣ \"ነፃ ኮይኑ መርሚሩ ፍትሓዊ ጸብጻብ ከቕርብ'ዩ ኢልና ምሉእ ብምሉእ ስለ ዘይንኣምን ኢና ከምዚ ዝበለ ሕቶ ኣቕሪብና\" ክብል ሓሳቡ ንቢቢሲ ሂቡ። እዞም ትካላት ነቲ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዘቕርቦ ውፅኢት መርመራታት ምሉእ ብምሉእ ኣይቕበልዎን ማለት ግን ኣይኮነን። ገለ ወሃብቲ ርእይቶ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዝግበር መርመራታት \"ንፖለቲካዊ ድሌታቶም ኣብ ዘገልግልሉ እዋን ይቕበልዎ፤ እንተዘይኰይኑ ድማ ይነፅግዎ\" ክብሉ ነቶም ተቓወምቲ ይነቕፍዎም። እቶም ፖለቲካዊ ውድባት ግን ነቲ ነቐፌታ ኣይቕበልዎን። መንግስቲ ብተደጋጋሚ ብዘይሻራዊ ኣካል ምርመራ ክግበር ንዝቐርቡ ሕቶታት ካብ ዝነፅገሉ ምኽንያታት እቲ ሓደ ምርመራ ዘካይድ ትካል ኣለኒ ዝብል’ዩ። ወሃቢት ቃል እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ቢልለኔ ስዩም ብዛዕባ እቲ ኣብ ጊምቢ ዝተፈጸመ ቅትለትን ድሕሪኡ ዝመጽአ ሳዕቤናትን ብዘይሻራዊ ኣካል መርመራ ክግበረሉ ምስ ተሓተተ፡ \"እዚ ማለት [ናጻ መርመራ ክግበር ምሕታት] ኢትዮጵያ ብቑዕ ትካል ከም ዘይብላ ምእማን'ዩ\" ክትብል ንማዕኸናት ዜና ተዛሪባ ነይራ። ሙሁር ሕግን ተንታኒ ፖለቲካን ኣዳም ካሴ (ዶክተር) \"መንግስቲ ንነብሱ ከም ናጻን ብቑዕን እዩ ዝሪኣ። ካብዚ ወፃኢ ካሊእ ኣካል ዝኣትው እንተዀይኑ መንግስቲ ናፃ ከም ዘይኮነ ክእመን ኣለዎ ማለት’ዩ” ይብል። ተሞክሮ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዓለም ዝርከቡ መንግስታት እንተጠቒስና’ውን ኣብ ሃገሮም ንዝፍጸሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ናጻ መርማሪ ጉጅለ ክምስረት ክሕተቱ ከለዉ ዘይምቕባል ልሙድ እዩ። ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ክህነፅ እንተዀይኑ ዘይሻራውያንን ንኹሉ ውድባት ብማዕረ ዝርእዩ ትካላትን  ክህልዉ ኣለዎም። ስእነት እዞም ነጻ ኣካላት ግን ኣብ ኢትዮጵያ ሓያሎ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅእ ኣትሒዙ፣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢስመኮ) ሓደ ካብቶም ነፃ ስራሕቲ ንምክያድ ዝፅዕሩ ትካላት ከም ዝኾነ ይእመን። እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝተፈፀሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ካብ ፍርዲ ወፃኢ ዝፍፀሙ ቅትለታትን መርሚሩ ፀብፃባት ከምዝዘርግሐ ይፍለጥ። ካብ ሞንጎ እቶም ፀብፃባት ድማ እቲ ሓይልታት ፀጥታ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ገዳ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ቅትለት ከምዝፈጸሙ ዝወጽአ ሓበሬታ ዘካየዶ ምርመራ እዩ። ብተወሳኺ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ኣብ ዝርከብ ዞባ መተከል ወረዳ ጉባ ቀበሌ ኣይሲድ ብ24 ለካቲት 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ብሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ዝተፈፀመ ቅትለት ሰላማውያን ሰባት ዝምልከት ፀብፃብ እውን ይጥቀስ። ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት እውን ተኸታቲሉን መርሚሩን ፀብፃባት ከምዝዘርግሐ ዝዝከር እዩ። ይኹን እምበር ሎሚ’ውን ነቲ ኮሚሽን ዝነቕፉ ኣለው። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ ብዝገበሮ ንጥፈታት ካብ ዝተፈላለዩ ዓለምለኻውን ውሽጢ ዓድን ትካላት ኣፍልጦ ከምዝረኸበ ይፍለጥ። ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕዚ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት \"መንግስታዊ ፀቕጢ የብልናን። እንተ መጺኡ’ውን ኣይንቕበሎን ኢና\" ኢሉ ነይሩ። ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ብቐረባ ዝከታተሉ ኣካላት ከም ዝበልዎ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ሓይልታት እታ ሃገር ካብ ዘጋጥሙ ዓበይቲ ጸገማት እቲ ሓደ ዘይምትእምማን እዩ። \"ከበድቲ ግፍዕታት እዮም ዝፍፀሙ ዘለዉ። እዞም ግፍዕታት ኣብ ማእከል ግጭት ዝፍፀሙ ስለዝኾኑ ከኣ መንግስቲ ባዕሉ ጥርጡር'ዩ\" ይብል ዶክተር ኣደም። \"ስለዚ ሓደ ካብቶም ጥርጡራት ንዝኾነ ኣካል ንበይኑ ጥራይ መርማሪ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ቅኑዕ ክኸውን ኣይክእልን\" ክብል ወሲኹ ይገልፅ። ተንታኒ ፖለቲካ ኣደም ካሴ (ዶክተር)፡ እቲ ነፃ መርማሪ ኣካል ዝብል ጉዳይ \"ብዘተ ዝፍታሕ\" ምዃኑ ይሕብር። እዚ ‘ዘይሻራዊ መርማሪ ኣካል መን ይኹን?’ ዝብል ዝውስን ናይ ዘተ መድረኽ እቶም ኣብ ኲናት ዘለዉ ኣካላት እውን ዝሰማምዑሉ ከም ዝኸውን እቲ ተንታኒ ይኣምን። “እዚ ዘይሻራዊ ኣካል ካብ ደገ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ካብ ውሽጢን ደገን ዝተወሃሃደ ክኸውን ይኽእል እዩ። ካብ ውሽጢ ጥራይ እውን ክኸውን ይኽእል። እቲ ኣገዳሲ ነገር እቲ ኣካል እንተወሓደ ብመብዛሕትኦም ውድባት ተቐባልነት ዘለዎን ብቑዕን ክኸውን ይግባእ። ካብ ህዝቢ ድማ ተኣማንነት ክህልዎ ይግባእ\" ይብል። ነጻ መርመርቲ ትካላት ብናይ ደገ ኣካላት፣ ሲቪላዊ ማሕበራትን ህዝባዊ ጸቕጢን ዝፍጠሩ እዮም። ሓደ ካብቲ ንናጻ መርመራ ዘድልዩ ረቛሒታት ድማ ሰላም እዩ። “ሰላም እንተዘይሃልዩ መርመራታት ክካየድ ኣይኽእልን። ግርጭታት ክሳብ ዝሃለዉ ፍትሒ ክሰፍን እዩ ኢልካ ምሕሳብ ዝከኣል ኣይኮነን። . . . እንተወሓደ ሃዋሁ ሰላም ክህሉ ኣለዎ። ፍትሒ ንሰላም ቅድመ ኩነት ዘይኮነስ ኣካል መስርሕ ሰላም እዩ\" ይብል ዶክተር ኣዳም።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3g1gz25vzeo"} {"headline":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ: ኣብ ኦሮሚያ ብዕጡቓት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከምዘሻቕሎ ገሊጹ","content":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ [ኢሰመኮ]፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋ ብዕጡቓት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣዝዩ ከምዘሻቕሎ ገሊጹ። እቲ ኮሚሽን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋ ወረዳ ኡሙሩ ብርክት ዝበሉ ነበርቲ ሞትን ምምዝባልን ዘስዓበ ብዕጡቓት ዝተፈፀሙ መጥቃዕቲ ዓብይ ስክፍታ ከምዘሕደረሉ ኣፍሊጡ። ካብ 23 ነሓሰ ክሳብ 25 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ብዕጡቓት ዝተፈፀሙ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ልዕሊ 60 ሰባት ሞይቶም፤ ልዕሊ 70 ሰባት ከምዝቖሰሉን ልዕሊ 20 ሽሕ ሰባት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉን እውን ሓቢሩ። እቲ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ካብ ነበርትን ኣካላት መንግስትን ብዝተኣከበ ሓበሬታ መሰረት፡ እቲ መጥቃዕቲ \"ኣብቲ ከባቢ ዝዓስከሩ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ናብ ካልእ ከባቢ ድሕሪ ምግዓዞም\" ዝተፈጸመ ምዃኑ ኣረዲኡ። ዋና ኮሚሽነር ትካል ሰብኣዊ መሰላት ዶክተር ዳንኤል በቀለ እቲ መጥቃዕቲ ዘሻቕል ምዃኑ ገሊጹ። መንግስቲ ግብረሽበራዊ ኢሉ ዝሰመዮ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ [ሸኔ]፡ ኣብ ወረዳ ኣሙሩ ዞባ ወለጋ ሆሮ ጉዱሩ ሰለስተ ተወለድቲ ኣምሓራ ድሕሪ ምቕታሉ እቲ መጥቃዕቲ ከምዝተጋደደ እቲ ኮሚሽን ገሊፁ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ ዝቐጸለ መዓልታት ካብ ወረዳ ኡሙሩ፣ ቀበሌ ሃሮ ኣዲስ ኣለም ካብ ጎረቤት ክልል ኣምሓራ፣ ወረዳ ቡሬን ዝመጹ ዕጡቓት፡ ኣብ ወረዳ ኡሙሩ ኣብ ሓያሎ ቀበሌታት ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ተወለድቲ ኦሮሞ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ኢሳመኮ ሓቢሩ'ሎ። ኣብቲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ንብረትን ከብትን እቶም ነበርቲ ከምዝዘመቱን ነበርትን ሰበስልጣን መንግስትን ሓቢሮም። ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ዝተመዛበሉ ነበርቲ ኦቦራ እትብሃል ከተማ ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዘለዉ እውን ኣመልኪቶም። እቲ መጥቃዕቲ ዘስዕቦ ስግኣት ሐዚ እውን ከቢድ ምዃኑን ኣብ ካልኦት ወረዳታት እቲ ዞባ እውን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከይፍፀም ስግኣት ከምዘሎን እቲ ኮሚሽን ሻቕሎቱ ኣፍሊጡ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈፀመሎም ከባቢታት ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ብቕልጡፍ ክውፈሩን፡ ሰላምን ድሕንነትን ከረጋገጹን፣ ነበርቲ ናብ ርጉእ ናብራ ክምለሱን ተሓታትነት ናይ ምርግጋፅ ስራሕ ብግቡእ ምርመራ ክፍፅምን እቲ ኮሚሽን ይላቦ። ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሰንኪ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ዕጡቓት ብርክት ዝበሉ ሰላማውያን ሰባት ከምዝሞቱ ጸብጻባት ይሕብሩ። ዓለም ለኸ ትካላት ተጣበቕቲ መሰላት፡ እዞም መጥቃዕትታት ኣብ ዓሌት ዝተመርኮሱ ምዃኖም ስክፍታኦም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም። መንግስቲ እቲ ክልል፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዛጊድ ዝበሎ የለን።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cn4z559ld34o"} {"headline":"ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ሰላማውያን ሰባት ከምዝሞቱ ነበርቲ ሓቢሮም","content":"ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ከተማ መንዲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም። እቲ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፡ ብረቡዕ 30 ጥቅምቲ 2015 (ብኣቆጻጽራ ግእዝ) ካብ ሰዓት 7 ክሳብ ሰዓት 8 ድሕሪ ቀትሪ እዩ ተፈጺሙ። እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ እቲ መጥቃዕቲ፡ ናይ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ መኪና ዒላማ ዝገበረ እኳ እንተኾነ፡ መብዛሕትኦም በቲ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ሰባት ግን ሰላማውያን ምዃኖም ሓቢሮም። ከተማ መንዲ፡ ንዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ከምዝነበረት ክንገር ጸኒሑ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ሓይልታት መንግስቲ ናብታ ከተማ ከምዝኣተዉ ዝሕብር ዜናታት ኣሎ። ኮይኑ ግን፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ኣብታ ከተማ ከምዝነበሩ ይግለጽ። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ በቲ መጥቃዕቲ ኣስታት 20 ሰላማውያን ሰባት ክሞቱ ከምዝኽእሉ ሓቢሮም። ሰልፊ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ግና ዝያዳ ሰባት ከምዝሞቱ ይገልጽ። ወሃቢ ቃል ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኦዳ ተርቢ፡ ኣብ መንዲ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ 30 ሰባት ከምዝሞቱን ሓያሎ ሰባት ከምዝቖሰሉን ዝገለጸ እኳ እንተኾነ፡ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ኣባላት እቲ ሰራዊት ዝበጽሐ መጉዳእቲ ግን ሓበሬታ ኣይሃበን። በዚ መጥቃዕቲ ህይወቶም ካብ ዝሰኣኑ ሓደ ታሪኩ ዋና ዝተባህለ ወንጌላዊ ምንባሩ ሓደ ዓርኪ እቲ መዋቲ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ንሱ፡ “እቶም ዕጡቓት ሒዞማ ዝነበሩ መኪና ኣብ ጽርግያ ደው ኢላ ነይራ። እታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ነታ መኪና ምስ ወቕዓታ፡ ተፈንጂራ ኣብ ትሕቲ ሓደ ገዛ ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ሰላማውያን ሰባት ሞይቶም። ገሊኦም እግሮም ተቖሪጾም ኣለዉ\" ይብል። “ዝተቐተሉ ኣባላት እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ብዙሓት ኣይኮኑን። መብዛሕትኦም እቶም ግዳያት ሲቪላት እዮም።\" ካልእ ንቢቢሲ ርእይቶኡ ዝሃበ ነባሪ ብወገኑ፡ “ኣብታ መኪና ዝነበሩ ኣባላት እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ብዙሓት ኣይኮኑን። እንተበዝሐ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ። ... እታ መኪና ኣብኡ ተባሪዓ። እቲ ዝተጎድአ ክፋል ሕብረተሰብ ግን ብዙሕ እዩ\" ክብል ሓቢሩ። \"እቲ መጥቃዕቲ ምስ ተፈጸመ ብኡንብኡ ዝሞቱ ሰላማውያን ሰባት 7 ወይ 8 እዮም። 13 ሰባት ናብ ሆስፒታል ኣትዮም ኣለዉ\" ክብል እዚ ነባሪ ወሲኹ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ መጥቃዕቲ ኣየር ክካየድ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ። ዞባ ምዕራብ ሽዋን ዞባታት ወለጋን ካብቶም ብደብዳብ ነፈርቲ ዝተሃስዩ ከባቢታት እዮም።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c04840552d1o"} {"headline":"ኣብ ኣዲስ አበባ፡ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ዝሃቀኑ ኣባላት ጉጅለታት ራዕዲ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ተባሂሉ","content":"ናብ ኣዲስ ኣበባ ሸሊኾም ብምእታው ራዕዳዊ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ሃቂኖም ነይሮም ዝተብሃሉ 454 ኣባላት ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ከምዝኣተዉ ተገሊጹ። እዚ ዝተገለጸ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ጸጥታን ድሕነትን መንግስቲ ፌደራል ሎሚ ቀዳም ኣብ እዋናዊ ጸጥታዊ ኩነታት ኣድሂቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ’ዩ። እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሸሊኾም ብምእታው “ራዕዳዊ ተግባራት ክፍጽሙ ተታሒዞም” ዝተብሃሉን ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ዘእተዎምን ሰባት “ኣባላት ፋኖ፣ ህወሓት፣ ሸኔ፣ ኣልሸባብን ኣይኤስን ከምኡ’ውን ህውከትን ዕግርግርን ከለዓዕሉ ፈተናታት እንዳገበሩ ተታሒዞም” ዝተብሃሉ 454 ጥርጡራት ከምዝኾኑ ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ። እቶም ዝበዝሑ 174 ኣባላት ህወሓት ዝተብሃሉ ዀይኖም፡ 100 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ህውከትን ዕግርግርን ከለዓዕሉ ፈተና ገይሮም ዝተብሃሉ፣ 98 ሸኔ፣ 51 ድማ ጥሩፍ ዝተብሃሉ ኣባላት ፋኖ ከምዝኾኑ ተገሊጹ። ካብዚ ብተወሳኺ 31 ኣባላት እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብን ኣይኤስን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ራዕዳዊ መጥቃዕቲ ንምፍጻምን ውሽጣዊ ጎነጻት ንምልዕዓልን ክንቀሳቐሱ ክብሉ ተታሒዞም ዝተብሃሉ ይርከብዎም። እቲ መግለጺ፡ነቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ጋምቤላ፣ ጊምቢን ደምቢ ደሎን ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ህወሓት፣ ግንባር ናጽነት ጋምቤላ፣ ኦነግ ሸኔን ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ጉሙዝን ተሓተትቲ ገይርዎም’ሎ። ድሕሪ እዞም መጥቃዕታት ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ጸጥታን ድሕነትን መንግስቲ ፌደራል፡ ወሲደዮ ብዝበሎ ወተሃደራዊ ስጉምቲ 137 ኣባላት ናይቶም ዝተጠቐሱ ጉጅለታት ከምዝተደምሰሱን ካልኦት ብዙሓት ከምዝተማረኹን ብምግላጽ ካብ ወርሒ ሰነ 07 ክሳብ 07 ሓምለ 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ብዘካየዶ ወፍሪ 153 ኣበላት ምድምሳሱን ልዕሊ 900 ከኣ ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ጉዳዮም ብሕጊ ይርአ ከምዘሎ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ። ብሽም ፋኖ ተኸዊሎም ሕቡእ ውዳበ ፈጢሮም ዘይሕጋዊ መሳርሒ ኵናት ተዓጢቖም ዝበሎም “ህይወት ሰለማውያን ሰባት እንዳቐጠፉን፣ ንሰባት ካብ መረበቶም ኣመዛቢሎም ይሰርቁ ነይሮም” ን ብዝተፈላለዩ ገበናት ክድለዩ ዝጸንሑ ዘበሎምን 5804 ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ኣትዮም ምርመራ ይግበረሎም ከምዘሎ ተሓቢሩ። እቲ ግብረ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ፌደራልን ክልል ኣምሓራን ስጉምቲ ንምውሳድን መንግስቲ ብሓይለ መልጢ ኣልዮም መሰጋገሪ መንግስቲ ንምምስራት ዘኽእሎም ሕቡእ ውዳበ ፈጢሮም ተንኮል ክኣልሙ ረኺበዮም ዝበሎም “14 ኣባላት ጥሩፍ ፋኖ” ምስ ሚስጢራዊ ሰነዳቶም ኣብ ቁጽጽር ከምዘእተዎም ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ዝተዓጠቑ ጉጅለታት ብዝወሰደዎም መጥቃዕትታት ብዙሓት ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉን ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉን ዝፍለጥ ኮይኑ መንግስቲ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ዝበሎ ስጉምቲ የካይድ ከምዘሎ ምግላጹ ይዝከር። ኣብ ክልል ኣምሓራ ፋኖ ተባሂሉ ምስዝጽዋዕ ጉጅለ ተዛሚዱ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ምርመራ ይግበረሎም ከምዘሎን ኣብቲ ክልል ድማ ምዝገባ መሳርሒ ኵናት ተኻይዱ’ዩ። ኣብ ዝሐላፈ ሓደ ወርሒ ጥራይ ኣብ ጋምቤላን ወለጋን ዕጡቛት ብዝፈጸምዎም መጥቃዕትታት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ብብዝሒ ዝርከብዎም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰለማዉያን ሰባት ከምዝተቐተሉ ይፍለጥ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ፖለቲከኛታትን ውድባት ፖለቲካን መንግስቲ ድሕነት ዜጋታት ናይ ምውሓስ ሓላፍነቱ ብዝግባእ ክትግብር ከምዘለዎ ከቢድ ነቔፌታ በጺሕዎ’ዩ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cjqx08x5y79o"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣይን ሰበይትን ብነብሪ ተቐቲሎም","content":"ኣብ ኢትዮጲያ፡ ክልል ኦሮሚያ፡ ዞን ጅማ ወረዳ ሶምቦ ከተማ ሸቤ፡ ዝሓለፈ 1 ጳጉሜን 2014 [ግእዝ] ነብሪ ብዘውረዶ ጉድኣት፡ ሰብኣይን ሰበይትን ሂወቶም ከም ዝሓለፈን፡ ካልኦት ክልተ ኣባላት ሚሊሻ 'ቲ ከባቢ ድማ ጉድኣት ከም ዝወረዶም ፖሊስ እቲ ወረዳ ንቢቢሲ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ወረዳ፡ ምምሕዳር ምርመራ ቴክኒክ ሓደጋ ዝዀነ ምክትል ኢንስፔክተር ተረፈ ሁንዴሳ፡ እቲ ሓደጋ ከባቢ ሰዓት 6፡00 ቀትሪ ከም ዘጋጠመ ሓቢሩ። እቶም በዚ እንስሳ ዘገዳም ተነኺሶም ዝሞቱ ሰብሓዳር፡ ወዲ 65 ዓመት ኣይተ ምቺሎ ማሞን ጓል 50 ዓመት በዓልቲ ቤቶም ወይዘሮ ኣበበች ወልደማርያምን እዮም። ክልቲኦም፡ ኣብ ወረዳ ሶምቦ ከተማ ሸቤ ፍሉይ ቦታ ሰበቃ ኣብ ዝበሃል ቦታ ካብ ሕርሻኦም ናብ ገዛኦም እናተመለሱ እዩ፡ ሓደጋ መጥቃዕቲ ነብሪ ኣጓኒፍዎም። እቲ ነብሪ ካብ ካንሸሎ እንዳ ሰብ ብምውፃእ፡ ኣብ መገዲ ንዝነበሩ ሰብኣይን ሰበይትን ነኺሱ ከም ዝቐተሎም እቲ ምክትል ኢንስፔክተር ኣብሪሁ። “ፉኣድ ዝበሃል ወዲ እቲ ከባቢ፡ ምንባሕ ከልቢ ሰሚዑ ካብ ገዛኡ እንተወጸ፡ ኣብ መረባኦም ነብሪ ኣብ ገረብ ተሰቒሉ ርእዩ” ዝብል ምክትል ኢንስፔክተር፡ እቲ ቈልዓ ፈሪሑ ማዕፆ ገዛኡ ኣብ ዝዓፀወሉ፡ እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ብኡ ይሓልፉ ከም ዝነበሩ ተዛሪቡ። “እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ጥቓ እቲ ካንሸሎ ኣብ ዝበጽሑሉ፡ እቲ ነብሪ ዘሊሉ ጉድኣት ስለ ዘውረደሎም ብኡ ንብኡ ሞይቶም” ብምባል፡ እቲ ኵነታት ንቢቢሲ ኣረዲኡ። ነዚ ፍፃመ ስዒቡ፡ መሓውር ጸጥታ እቲ ከባቢ ምስ ማሕበረሰብ ብምትሕብባር፡ ኣብቲ እንስሳ ዘ ገዳም ክትትል ገይሮም ከምዝነበሩ’ውን ሓቢሩ። ኣብቲ ግዜ፡ እቲ ነብሪ ኣብ ካልኦት ክልተ ኣባላት ሚሊሻ 'ቲ ቀበሌ ጉድኣት ከም ዘውረደ'ውን ተዛሪቡ። ሓደ ካብ ኣባላት ሚሊሻ ምስ ተኮሰሉ፡ እቲ ነብሪ ጉድኣት ከምዘውረደሉ ዝተዛረበ እቲ ኢንስፔክተር፡ ክልቲኦም ሚሊሻታት ኣብዚ እዋን ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎ ገሊጹ። ኣብቲ ከባቢ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ እንስሳ ዘ ገዳም ልሙድ ኣይኰነን፤ ካብ ሕጂ ንደሓር ተመሳሳሊ ጉድኣት ንኸይወርድ ግን መሓውር ፀጥታ ክትትል የካይድ ምህላዉ ኣረዲኡ። ወረዳ ሸቤ ካብ ከተማ ጅማ ብኣንፈት ደቡብ 50 ኪሎሜትር ርሒቓ ትርከብ ኰይና፡ ንወረዳ ጅማ ‘በለጠ ጌታ’ ምስ ዝበሃል ዱር ካብ ዘዳውባ ወረዳታት ሓንቲ እያ። ኣብዚ ዱር ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዘይሕጋዊ ሰፈራ እናወሰኸ ይመፅእ ብምህላዉ፡ እንስሳት ዘ ገዳም ካብቲ ዱር እናወጽኡ ኣብ እንስሳት ጉድኣት ከም ዘውርዱ እቲ ምክትል ኢንስፔክተር ኣረዲኡ። እቲ ዱር ብዙሓት ዓሌታት ገረብ ዝርከበሉን መንበሪ እንስሳ ዘ ገዳምን ስለዝዀነ፡ “እንተዝሕፀርን ነቶም እንስሳት ዘ ገዳም ሓለዋ እንተዝግበረሎምን ጽቡቕ’ዩ” ኢሉ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4n0e2n9518o"} {"headline":"ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ኦነግ ብዘይተፈልጡ ሰባት ብጥይት ተቐቲሉ","content":"ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ) ኣቶ ሞኢቦን በቀለ ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ፡ ቡራዩ ዝተብሃለ ቦታ ዘይተፈለጡ ሰባት ብዝተኮስዎ ጥይት ተቐቲሉ። ኣቶ ሞኢቦን ትማሊ ረቡዕ 02 ጥቅምቲ 2015 (ግእዝ) ኣጋ ምሸት ኣብ ቡራዩ ሳንሱሲ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ኣብ መንበሪ ከባቢኡ እዩ መጥቃዕቲ ተፈጺምዎ። እቲ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ኦነግ፡ በቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ክልተ ግዜ ብጥይት ተሃሪሙ፡ ኣብ ሆስፒታል ኣቤት ሓገዝ ሕክምና እናተገብረሉ ከሎ'ዩ ሞይቱ። ካብቲ ደገፍ ሕክምና ዝግብረሉ ዝነበረ ሆስፒታል ኣቤት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ ሞኢቦን  ብውሑዱ ብክልተ ጥይት ከምዝተሓርመ የመልክት። እታ ቀዳመይቲ ጥይት ብከባቢ ሳንቡኡ ክትሓልፍ ከላ እታ ካልኣይቲ ኣብ ከባቢ ኩሊቱ ተሪፋ ዓበዪ ጉድኣት ከምዘስዓበት ተገሊጹ ኣሎ። ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ምሸት ከባቢ ሰዓት 1 [07፡00] ናብቲ ሆስፒታል ዝተወስደ ኣቶ ሞኢቦን፡ ሓገዝ ሕክምና እናተገበረሉ ጸኒሑ ምሸት ከባቢ ሰዓት 5 [11፡00] ከምዝዓረፈ ስድርኡ ሓቢሮም። ቢቢሲ ካብ ስድራቤቱ ዝረኸቦ ሓበሬታ፡ ኣብታ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመላ ምሸት፡ ሞኢቦን ኣብ መንበሪ ገዝኡ እናተመገበ እንከሎ፡ ቴሌፎን ተደዊሉሉ ብታህዋኽ ምስ ወጸ ብጥይት ከምዝተሃረመ የመልክት። ሞኢቦን ብጥይት ምስ ተሃርመ፡ ንሓደ ናይ ቀረባ ኣባል ስድራቤት ቴሌፎን ብምድዋል፡ “ጸላኢ የብለይን፤ ዝጥርጥሮ ሰብ የለን\" ከምዝበለ ሓደ ኣባል ስድራቤት ተዛሪቡ። ሞኢቦን ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ኦነግ ካብ ምዃን ብተወሳኺ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ኣብ ኢትዮ-ቴሌኮም ይሰርሕ ነይሩ። ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ እቲ ሰልፊ ኮይኑ ክሰርሕ ከምዝፀንሐ፡ ወሃቢ ቃል ኦነግ ኣቶ ለሚ ገመቹ ንቢቢሲ ገሊጹ። ብተደጋጋሚ ብፖለቲካዊ ምኽንያት ተኣሲሩ ከምዝነበረ’ውን ሓቢሩ። ንነዊሕ ዓመታት መሓዛ ሞኢቦን ከምዝነበረ ዝገልጽ ላሊሳ እድሪስ'ውን እቲ መዋቲ ብፖለቲካዊ መርገጺኡ ብተደጋጋሚ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝነበረን ካብ ዩኒቨርስቲ ጂማ ከምዝተባረረን ኣዘኻኺሩ። \"ሞኢቦን ብፖለቲካዊ መርገፂኡ ምኽንያት ካብ ዩኒቨርሲቲ ጅማ ምስ ተባረረ፡ ናብ ነቅምቴ ተመሊሱ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሪፍት ቫሊ እናተማሃረ ከሎ ኣብኡ’ውን ተታሒዙ ኣብ ቂሊንጦ ተኣሲሩ\" ኢሉ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከተማ ጅማ፡ ኣብ ማእከላዊ፡ ቂሊንጦን ሽዋ ሮቢትን ተኣሲሩ ከምዝነበረ ዓርኩ ይሕብር። እቲ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ኦነግ ዝኾነ መንእሰይ ሞኢቦን በቀለ ብጥይት ከምዝተቐትለ ምስ ተሰምዐ እቲ ሰልፊ መግለፂ ኣውፂኡ። ግንባር ​​ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ \"ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ዘሎ ቅትለት ሰባት ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ በጺሑ'ሎ\" ይብል። መንእሰይን ቆራፅን ዝኾነ ኣባልን ፖለቲካዊ መራሕን ብምስኣኑ ዓብዪ ሓዘን ከምዝተሰምዖ ዝገለጸ ኦነግ፡ \"ኣባላት እቲ ሰልፊን ኦሮሞን ዝኸፈልዎ መስዋእቲ ነቲ ቃልሲ ጠጠው ዘብልን ተስፋ ዘቑርጽን ኣይኮነን\" ኢሉ። ሬሳ ሞኢቦን በቀለ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ነቀምቴ ዝተወሰደ ክኸውን ከሎ፡ ስነ-ስርዓት ቀብሩ ሎሚ ዓርቢ 4 ጥቅምቲ 2015 ከምዝካየድ ስድርኡ ገሊጾም ኣለዉ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1ly9my8kyo"} {"headline":"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣባላት ባልደራስ: መምህራንን ተምሃሮን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ተገሊጹ","content":"ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፡ ምስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈጠሩ ናዕቢታት ብዝተኣሳሰር ገለ ኣባላት ሰልፊ ባልደራስ ንሓቀኛ ዲሞክራሲ፡ ተመሃሮን መምህራንን ዝርከብዎም 72 ውልቀሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ብዕለት 04 ታሕሳሽ 2015 ኣቆጻጽራ ግእዝ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ውልቀሰባት፡ ምስቲ ምስ ባንዴራን መዝሙርን ክልል ኦሮምያ ተተሓሒዙ ዝተወልዐ ተቓውሞታት \"ብቀጥታ ኣብ ተግባር ጥፍኣት ዝተሳተፉ\" ምዃኖም ገሊጹ። ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ቢሮ ሰላምን ጸጥታን ኣዲስ ኣበባ ሊድያ ግርማ ብዕለት 03 ታሕሳስ 2015 ንሃገራዊ ቴሌቪዥን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ መብዛሕትኦም እቶም ዝተኣሰሩ ሰባት ምስ ማሕበረሰብ ቤት ትምህርቲ ዝኾነ ርክብ ከምዘይብሎም ገሊጻ። ወሲኻ’ውን፡ እቶም ውልቀሰባት ዝተፈለየ ኣጀንዳ ከም ዘለዎምን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ምልዕዓል ንምፍጣር ዝሰርሑ ከምዝነበሩ ጭቡጥ ሓበሬታ ከምዘሎ ሓቢራ። ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ዘጋጠመ ፍጻመ \"እዘን ትካላት ንምዝራግን ናይ ዕንወት መድረኽ ንምግባርን ዝተወጠነ እዩ\" ኢሉ። ኣብ ሓንቲ ስማ ዘይተጠቕሰት ቤት ትምህርቲ ብዙሕ ዕንወት ከም ዘጋጠመን እዞም ናይ ጥፍኣት ኣጀንዳ ኣለዎም ዝበሎም ውልቀሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ጉዳዮም ይምርመር ከምዘሎን ድማ ሓቢሩ። ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ምስ ባንዴራን መዝሙርን ክልል ኦሮምያ ተተሓሒዙ ብተደጋጋሚ ናዕቢ ድሕሪ ምልዓሉ ዝተፈላለየ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈጸሙ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመጉ) ብ3 ታሕሳስ 2015 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ ነይሩ። ኢሰመጉ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ እንጦጦ ኣምባ ዳግማይ ዓመጽ ምልዓሉ ኣብ ልዕሊ ተመሃሮን መምህራንን መጉዳእቲ ከምዘስዓበን ነቲ ጸገም ንምቁጽጻር ንግዚኡ ፖሊስ ናብቲ ቀጽሪ ከምዝኣተዉን ገሊጹ። ብዕለት 26 ሕዳር ኣብ ክፍለ ከተማ የካ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ከፍተኛ 12 ዓመጽ ከምዝነበረን ኣብቲ ከባቢ ድምጺ ቶኽሲ እውን ከምዝተሰምዐን ከምኡ’ውን ብሰንኪ እቲ ዓመጽ ልዕሊ ዓሰርተ ተመሃሮን ሓደ መምህርን ቆሲሎም ናብ ሆስፒታል ከምዝኣተዉን ሓቢሩ። ኣብ ተመሳሳሊ መግለጺ ኢሰመጉ፡ ኣብ ክፍለ ከተማ ቂርቆስ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ኣብ 29ን 30ን ሕዳር ኣብ ዝተለዓሉ ዓመጻት ሓያሎ ተመሃሮን ሓደ ኣባል ፖሊስን ከምዝተሃረሙ፡ ንብረት ቤት ትምህርቲ ከምዝዓነወን ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ተማሃሮን ነበርቲ እቲ ከባብን ከምዝተኣሰሩን ሓቢሩ። ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ክፍለ ከተማታት ለሚ ኩራ፡ የካ፡ ቂርቆስን ኮልፈ ካራንዮ ኣብ ዝርከባ ዝተወሰና መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ምስ ባንዴራን መዝሙርን ክልል ኦሮሚያ ዝተተሓሓዘ ምስሕሓብ ሎሚ ዓመት እውን ከምዝቐፀለ ወሲኹ ገሊጹ። \"መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከባ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ዝካየድ ዘሎ ናዕቢ እኹል ቆላሕታ ሂቡ፡ እቲ ጉዳይ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ቅድሚ ምውጽኡ ህጹጽን ነባሪን ፍታሕ ክህብ ይግባእ\" ክብል ድማ ኣተሓሳሲቡ። ነዚ ፍፃመ ብዝምልከት ፖለቲካዊ ውድባት መግለፂታት ኣውፂኦም ኣለዉ። ካብዚኦም ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ)፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ መዝሙር ክልል ኦሮምያ ንኽዝመርን ባንዴራ ንክዝርጋሕን ዝግበር ዘይሕጋዊ ተግባር ደው ክብል ፀዊዑ። ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣብን) ብወገኑ፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ዝርአ ዘሎ ባንዴራ ክልል ኦሮምያ ናይ ምስቃልን ክልላዊ መዝሙር ናይ ምዝማርን ኩነታት ደው ክብል ዝጽውዕ መግለጺ ኣውጺኡ። እዚ ኩነታት ነታ ከተማ ማእኸል ጎንፅን ዓመፅን ከምዝገብራ ገዝገለጸ ኣብን፡ ሃገራዊ ባይቶን ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ነዚ ጉዳይ ንምፍታሕ ስጉምቲ ክወስዱ ፀዊዑ። ምስዚ ጉዳይ ተተሓሒዙ ዝተኣሰሩ ሰባት ክፍትሑ እውን እቲ ውድብ ሓቲቱ'ሎ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ce51kvj14jxo"} {"headline":"ብሰንኪ ቁመቱ ህይወት ከቢድዎ ዘሎ ኢትዮጵያዊ ነጋዎ ጂማ","content":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ከተማ መቂ ዝነብር ነጋዎ ጂማ ወዲ 24 ዓመት መንእሰይ ኮይኑ፡ እቲ ልዕሊ ዝተለመደ ቁመቱ ንህይወቱ ከምዘኽበዶ ይዛረብ። ነዚ ብኣብነት ከረድእ ከሎ ድማ ዓቐኑ ጫማን ክዳውንትን ክረክብ ከምዝተጸገመን ህዝባዊ መጓዓዝያ ክጥቀም ከምዝኸበዶን ይገልጽ። ቁጽሪ ጫምኡ 54 እዩ። “ንባዕለይ ኣብ ዝኽእለሉ ዕድመ’ኳ እንተሃለኹ ብሰንኪ ቁመተይ ስራሕ ብምስኣነይ ግን ካብ ኢድ ሰብ እናተጸበኹ ክነብር ተገዲደ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ብ 1998 ኣ.ግ ትምህርቲ ዝጀመረ ነጋዎ “ሽዑ ትምህርቲ ኣብ ዝጀመርኩሉ እዋን ቁመተይ ክንድዚ ዘለወኽዎ ነዊሕ ኣይነበረን” ክብል ይዝክር። ኣስዒቡ ድማ “ቁመተይ ካብ 2005 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ንደሓር’ዩ ክውስኽ ዝጀመረ። ካብቲ ዓመት ንደሓር ኣብ ዝነበሩ ሰለስተ ዓመታት ብዝለዓለ ናህሪ ክውስኽ ጀሚሩ” ይብል። ኣብዚ እዋን 2.25 ሜትሮ ዝበጽሐ ኮይኑ ዕድሚኡ ብዝወሰኸ ቁጽሪ ድማ ቁመቱ ይብርኽ። “ቁመተይ ካብ ናይ መሓዙተይ ከምዝነውሕ ምስተገንዘብኩ መዓልታዊ ክልካዕ ጀሚረ። ቁመተይ ሕዚ’ውን እናወሰኸ’ዩ” ክብል ድማ የረድእ። ሰባት እንታይ ይብሉ? “ቁመተይ ዝተፈለየ እናኾነ ምስከደ ሰባት ክጥምቱኒ ጀሚሮም። በዚ ምኽንያት ንዝተወሰነ ዓመታት ይሓፍር ነይረ። ሰባት ብዛዕባይ ዝዛረብዎ ዘረባ ከኣ ናብ ደገ ወጺኤ ምስ መሓዙተይ ከይጻወት ገይሩኒ” ብምባል ካብ ሰባት ርሒቑ ጊዚኡ ከሕልፍ ይመርጽ ምንባሩ ይዛረብ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘሕለፎ እዋን ተመሳሳሊ ከምዝነበረን ብሰንኪ ሕማም ትምህርቱ ካብ 8ይ ክፍሊ ንደሓር ከቋርጾ ከምዝተገደደን ይገልጽ። ተመሃሪ ኮይኑ ኣብ ርእሱ ጽኪ ስለዝወጽኦ ብሰንኪ’ቲ ሕማም ክስድር እውን ተጸጊሙ ነይሩ። ኣብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ዝተገበረሉ ሕክምና ዛዚሙ ምስወጸአ ግን ነፍሰ-ምትእምማኑ እናወሰኸ ምምጽኡን ዝስምዖ ዝነበረ ሕፍረት ከምዝተወገደን ይዛረብ። ነጋዎ “ሰባት ካብ ዝተኣከቡሉ ቦታታት ንነብሰይ ምርሓቕን ምሕፋርን ገዲፈዮ ኣለኹ። ሓራቕነተይን ቁጡዕነተይን ተሪፉ ኣብዚ እዋን ህዱእ ኮይነ'ለኹ” ክብል ንኹነታቱ የረድእ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ክሰርሕ ብዘይምኽኣሉ ብሓገዝ ቤተሰቡ እዩ ዝናበር። “ክዳን ብልክዐይ ከስፍይ እንተኸኣልኩ’ኳ ጫማ ግን ብዓቐነይ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ክረክብ ኣይከኣልኩን” ይብል። ክዳን ከስፍይ ኮነ ህዝባዊ መጓዓዝያ ክጥቀም ብሰንኪ ግዝፊ ሰብነቱ ዕጽፊ ክኸፍል ከምዝግደድ’ዩ ዝዛረብ። “ክዳን ከስፍይ ከለኹ ዕጽፊ እየ ዝኸፍል። ጫማ ክረክብ ስለዘይክእል ብዙሕ ገንዘብ እናኸፈልኩ ካብ ደገ ዘምጽእ። ናብ መኪና ክድይብ ከለኹ ድማ ናይ ክልተ ሰብ ቦታ ስለዝሕዝ ዕጽፊ ክኸፍል እሕተት” ክብል ንቢቢሲ ኣረዲኡ። ጫማን ክዳንን ዝህብዎ ሰባት ከምዘለዉ’ውን ሓቢሩ። ነጋዎ - ነዊሕ ኢትዮጵያዊ? “ነዊሕ ቁመት ዘለዎም ሰባት ርእየ እየ። ካባይ ዝበልጽ ግን ክሳብ ሕዚ ኣይረኣኹን። ኣብ ኢትዮጵያ ነዊሕ ዝበሃል ሰብ ኣስራት ይበሃል ከምዝነበረ ሰሚዐ ኣለኹ። ዝገበሮ ቃለ-መሕትት’ውን ሪኤዮ እየ። ሽዑ ቁመቱ 2.22 ከምዝኾነ እዩ ተዛሪቡ። ናተይ ግን 2.25 እዩ” ዝብል ነጋዎ ሕዚ’ውን ብራኸ ቁመቱ ይውስኽ ከምዘሎ ይገልጽ። ቀንዲ ዕላምኡ ብትምህርቱ ክቕጽል ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ኣብዚ እዋን ከኣ ካብቲ ኣቋሪጽዎ ዝጸንሐ 8ይ ክፍሊ ብምሸታዊ መርሃ-ግብሪ ከምዝቐጸለሉ ተዛሪቡ። “ጎናጎኒ ትምህርተይ ተፈላጥነት ረኺበ ምስ ባህልን ቱሪዝምን ክሰርሕ ድልየት ኣለኒ። ሰባት ቁመተይ ተጠቒመ መወዓውዒታት (መላለዪታት) ክሰርሕ የተባብዑኒ’ዮም። ክሳብ ሎሚ ዘዘራረበኒ’ኳ እንተዘይሃለወ ነቲ ዕድል እንተዝረኽብ ግን ምተሓጎስኩ” ይብል። ሓሙሽተ ኣሓትን ኣርባዕተ ኣሕዋትን ከምዘለውዎ ብምሕባር ድማ ናታቶም ቁመት ግን ነዊሕ ከምዘይኮነ ገሊጹ። “. . . ኣብ ቤተሰብና ነዊሕ ዝበሃል ሰብ የለን” ይብል።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60024530"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣዳማ ልዕሊ 200 ኣብ ደገ ዝተደርበዩ ኣፍራስ ኣብ ቁጽጽር ውዒሎም","content":"ቤት ማዘጋጃ ከተማ ኣዳማ መዓልታዊ ቑጽሪ ኣፍራስ ይውስኽ ምህላው ከም ዘስግኦ ገሊጹ። ኣብ ዋና ጎደናታት እታ ከተማ ብምውሓዞም ኣብ ምንቅስቓስ ትራፊክ ጸገም ይፈጥሩ ኣለው ከምኡ'ውን ቑጠባዊ ጉድኣት ኣስዒቦም ዝበሎም ልዕሊ 230 ኣፍራስ ከም ዝኣከበ ሓቢሩ። እዞም ምምሕዳር እታ ከተማ ዝሓዞም እንስሳት ኣእዱግ እውን ዝርከቡዎም ኮይኑ ዋናታቶም ክሳብ ዝወስዱዎም ንግዚኡ ኣብ ዝተዳለወ መጽንሒ ቦታ ክጸንሑ ምዃኖም ገሊጹ። ምኽትል ሓላፊ ቤት ማዘጋጃን ሓላፊ ኣገልግሎትን ኣዳማ ኣቶ ኮከብ ኣክሊሉ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ምስ ሰብ ዋናታት ተደጋጋሚ ዘተ ተገይሩ እዩ ይብል። ይኹን እምበር ቑጽሪ ብፍንው ኣብታ ከተማ ዝርኣዩ ኣፍራስ ካብ ቑጽጽር ወጻኢ ኮይኑ ኢሉ። ጉድኣት ዝበጽሖምን ኣገልግሎት ክህቡ ዘይኽእሉን ኣፍራስ ናብ ደገ ኣውጺእኻ ምድር ባይ ብልዑል ቑጽሪ ይልመድ ዘሎ ጸገም ከም ዝኾነ ኣቶ ኮከብ ኣረዲኡ። \"ኣብታ ከተማ ዝፍነው ዘለው ኣፍራስን ኣእዱግን ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ቑጠባዊ መነባብሮ እቲ ሕብረተሰብን ትሕተ ቕርጽን ጉድኣት የብጽሑ ኣለው\" ይብል እቲ ምኽትል ሓላፊ። ወሲኹ \"እዞም ኣፍራስ ኣብ ዋና መገዲ ወጺኦም ጠጠው ብምባል መኪና ንከይሓልፍ መገዲ ይዓጽው፤ ለይቲ ድማ ኣብ ማእከል መገዲ ጠጠው ብምባሎም ዝበጽሕ ዘሎ ሓደጋ ትራፊክ ቀሊል ኣይኮነን\" ኢሉ። ብኻልእ ወገን ምምሕዳር እታ ከተማ ብዝሓዞ ባጀት ናይ ሓምለዋይ ልምዓት ስራሕቲ ይሰርሕ ከም ዘሎ ብምጥቃስ በዞም እንስሳት ምኽንያት ግን እቶም ዝትከሉ ጉድኣት ይበጽሖም ኣሎ ይብል። \"ዝተፈላለየ ዓሌት ዘለዎም ሳዕርታትን ተኽልን ኣለው፤ ለይቲ ነቶም ኣፍራስ ፈንዮም ግን የብሉዑዎም፤ ይስበሩ። በዚ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ሃብትን ንብረትን ህዝቢ ጉድኣት ይበጽሕ ኣሎ\" ብምባል እቶም ሕሙማት ኣፍራስ ሕማማት የመሓላልፉ ምህላዎም'ውን ተዛሪቡ። እቲ በዞም ኣፍራስን ኣእዱግን ዝበጽሕ ዘሎ ሳዕቤን ኣመልኪቱ ምስ ዋናታት ዝርርብ እኳ እንተተኻየደ ክንድ'ቲ ዝድለ ግን ለውጢ ክመጽእ ኣይክኣለን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዕሊ 230 ኣፍራስ ክትሓዙ እንከለው፡ ገሊኦም ሰብ ዋና ኣፍራሶም ንምውሳድ ንቤት ማዘጋጃ እታ ከተማ ሓደ ሽሕ ብር መቕጻዕቲ ከፊሎም ይወስዱ ምህላዎም ኣቶ ኮከብ ተዛሪቡ። ካልኦት'ውን ገንዘብ ከፊሎም እንተዘይወሲዶምዎም ስጉምቲ ክውሰዶም'ዩ ኢሉ። \"ዋና ዘይብሎም ኣፍራስ ኣብ ቢሾፍቱ ምስ ዝርከብ ስፓና (SPANA) ምስ ዝተባህለ ትካል ንዘራረብ ኣለና\"። እዚ ትካል ኣገልግሎት ዘይህቡ፣ ዝሓመሙን ዝቐሰሉን ኣፍራስ ጉድኣት ከይስምዖም ብምግባር ብቐሊሉ ክውገዱ ዝገብር'ዩ። ጥዕና ዘለዎም ኮይኖም ግን ድማ ኣገልግሎት ክህቡ ዘይኽእሉ ድማ ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ዝርከብ ትካል ምርባሕ ሓርገጽ ንምግብነት ክውዕሉ ንምግባር ይስራሕ ከም ዘሎ ሓቢሩ። እቶም ጥዑያት ግን ድማ ብተደጋጋሚ ተነጊሩዎም ዋናታቶም ክወስዱዎም ዘይኽኣሉ ኣፍራስ መንግስቲ ሸይጡ ናብ ረብሓ ክውዕሉ ከም ዝገብር ኣቶ ኮከብ ገሊጹ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58645963"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ልዕሊ 200 ሰባት ተቐቲሎም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ፡ ምዕራብ ኦሮምያ ብዝተወለዐ ግጭት ልዕሊ 200 ሰባት ተቐቲሎም። ብመንግስቲ ዝምወል ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ [OLA] 150 ሰባት ከምዝቐተሉ ገሊጹ። ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኸኣ፡ ኣብ ዘሓለፈ ሰሙን ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምብራቅ ወለጋ ተወለድቲ ኦሮሞን ኣምሓራን ንኽልተ መዓልቲ ንሓድሕዶም ጥይት ከምዝተኳኾሱ ገሊጾም። ናይ ዓይኒ ምስክር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሬሳ ናይ ሰባት ኣብ ጥቃ ሩባ ዛሕ ኢሉ ከምዝርኣየን እቲ ሬሳታት ጸኒሑ ከምዝተቐበረን ሓቢሩ። ምብራቕ ወለጋ ኣዘዩ ልሙዕ መሬት ኮይኑ ብብዝሒ ካብ ተወለድቲ ብሄረ ኣምሓራ ዝነብርዎ ቦታ እዩ፡ ልሙዕ ብምዃኑ ኸኣ ጠንቁ ምስሕሓብ ክልቲኦም ብሄራት ኮይኑ ይርከብ። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብሄር ዕላማ ዝገበረ ምንባሩን ቀንዲ ፈጸምቲ እቲ መጥቃዕቲ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ምዃኖም እዩ ዝገልጽ። እቲ ኮምሽን ብምስዓብ፡ ተወለድቲ ኣምሓራ'ውን ሕነ ንምፍዳይ ኣስታት 60 ተወለድቲ ኦሮሞ ምቅታሎም ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ። ናይቲ ከባቢ ሰብ መዚ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ብወገኖም፡ ምልሻታት ናይ ኣምሓራን ኦሮሞን ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸምዎ ገሊጾም። ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣሽሓት ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተፈናቐሉን ብዓሰርተታት ዝቁጸር መንበሪ ኣባይቲ ከምዝዓነወን እዩ ተገሊጹ ዘሎ። ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ሰለማውያን ሰባት ከምዘይቐተለ ብምግላጽ፡ ንሓርነት ህዝቢ ኦሮሞ ይቃለስ ከምዝሎን ንነበርቲ እቲ ኸባቢ ካብ ምልሻታት ይከላኸለሎም ምህላዉ ገሊጹ። ኣብ ምብራቕ ወለጋ፡ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ሰራዊት መንግስትን ኵናት ከምዘሎ'ዩ ዝግለጽ። ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ከምዝፍጸም ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ። ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ህዝባዊ ወያን ሓርነት ትግራይን ስምምዕ ወተሃደራዊ ሽርክነት ከምዝተበጸሐ ይዝከር። ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ 2018 ብዘጋጥም ዘሎ ግጭት ሓድሕድ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ካብ ቤቶም ከምዝሃደሙ ጸብጻባት ይገልጹ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58353906"} {"headline":"ኣዛዚ ሰራዊት ኦነግ ዝነበረ ጎሊቻ ደንጌ ስለምንታይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሱ?","content":"ኣብዚ ሰሙን ኣዛዚ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ደቡባዊ ግንባር ዝነበረ ጎሊቻ ደንጌ ካብቲ ጉጅለ ተነጺሉ ናብ ሰላማዊ ህይወቱ ንምምላስ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበጽሕ ሰብ መዚ ኦሮሚያ ተቐቢሎምዎ ተባሂሉ፡፡ ጎሊቻ ንዓመታት ናይቲ ንባዕሉ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕን መንግስቲ ግብረ ሽበራዊ ሸኔ ዝብሎን ሓደ ክንፊ እናመርሐ እዩ ጸኒሑ፡፡ ንሱ ኣብ እዋን መሪሕነት ኢህወዴግ፡ ኣንጻር እቲ ሽዑ ዝነበረ ምምሕዳር ን 27 ዓመታት ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይድ ከም ዝጸንሐ ይገልጽ፡፡ ሕጂ ድማ እዚ ኣዛዚ ንሰላሳ ዓመታት ከካይዶ ዝጸንሐ ዕጥቃዊ ቃልሲ ገዲፉ፡ ኣብ ሰላማዊ ናይ ፖለቲካ ቃልሲ ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኣተወ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ገሊጸን ኣለዋ፡፡ ጎሊቻ ዕጥቃዊ ቃልሲ ገዲፉ ናብ ሰላማዊ ህይወት ዝተመለሰ ኣብ ኣመራርሓ እቲ ውድብ ኣፈላላኣት ስነ ምግባን መተሓዳደሪ ደንብን ስለ ዝተፈጠሩን እቶም ፍልልያት ሰፊሖም ክሳብ ፈተነ ቅትለት ዝበጽሕ ጸቕጢ ስለ ዝተገበረሉን ከም ዝኾነ እዩ ዝገልጽ፡፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞን ሓይልታት ምክልኻል ትግራይን ኣንጻር መንግስቲ ፌደራል ሓቢርካ ንምቅላስ ዝተበጸሐ ስምምዕ እውን ኣይቕበሎን፡፡ ካብ መሪሕነት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ግንባር ደቡብ ካብ ዝእለ ሰለስተ ዓመታት ከም ዝገበረ ዝገልጽ ጎሊቻ፡ ካብቲ ዝመርሖ ሰራዊት ጸቕጢ ይበጽሖ ከም ዝነበረ ይዛረብ፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ሰራዊት ኦነግ ናብ ኢትዮጵያ እንትኣቱ እውን \"ናይ ገዛ መሓዩር እየ ነይረ\" ብምባል ተገዲዱ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ይዛረብ ከም ዝነበረ ንቢቢሲ ገሊጹ፡፡ እቲ ዝተገበረሉ ጸቕጢ ን27 ዓመታት ካብ ዝጸንሐሉ ናይ ዕጥቃዊ ቃልሲ ክወጽእ ገይሩኒ እዩ ይብል። \"ኣብ ኣካይዳ ኣይተሰማማዕናን፡፡ ኣብ ልዕለይ ከቢድ ጸቕጢ የሕድሩ ነይሮም፡፡ ፈተነ ቅትለት እውን ገይሮምለይ እዮም፡፡ ኣብዚ እዋን ዝካየድ ዘሎ ቃልስን ኣመራርሓን ትኽክል ኣይኮነን፡፡ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት እዚ ክዕረ ኣለዎ ኢለ እናተዛረብኩ ጸኒሐ እየ’’ ኢሉ፡፡ ምስቲ ዝመርሖ ሰራዊት ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ሽማግለታት ቦረና ዘካየድዎ ጻዕሪ እውን ከም ዘይሰመረ ወሲኹ ተዛሪቡ፡፡ ንባዕሉ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ጉጅለ፡ ጎሊቻ ደንጌ ብምኽንያት ጸገም ጥዕና ካብ ሰራዊት ኣዛዚነት ካብ ዝለዓል ልዕሊ ሓደ ዓመት ከም ዝገበረን፡ ምኽትሉ ዝነበረ ውልቀ ሰብ ደቡባዊ ክንፊ እቲ ጉጅለ ክመርሕ ከም ዝተተከአን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ፡፡ ብተወሳኺ ጎልቻ ናይ ጥዕና ምምሕያሽ ምስ ኣርኣየ ብተደጋጋሚ ናብ ስርሑ ክምለስ ዝቐረበሉ ሕቶ ኣይተቐበለን ኢሉ፡፡ ‘‘ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ- ናይ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ሓፈሻዊ ጉባኤ ምስ ካልኦት መራሕቲ ሰራዊት ዝነበሮ ዘይምቅድዳው ምኽንያት ብምግባር ከይተሳተፈ ተሪፉ’’ ይብል እቲ መግለጺ፡፡ ጎሊቻ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ተመለሰ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ግን ላዕለዋይ ኣመራርሓ ሰራዊት ኦነግ ዝነበረ ውልቀ ሰብ ሰላማዊ ቃልሲ ንምክያድ ከም ዝወሰነ ኣቃሊሐን፡፡ ንሱ እውን \"ሰልፊ ኦነግ ብሰላማዊ ቃልሲ ኣሚኑ ብሰላም ናብ ውሽጢ ሃገር ተመሊሱ እዩ፡፡ ዓበይቲ ተቓለስቲ ኦሮሞ እውን ብሰላማዊ ቃልሲ ኣሚኖም ናብ ሃገር ተመሊሶም እዮም፡፡ ጎሊቻ እውን ብሰላማዊ ቃልሲ ኣሚኑ ናብ ሃገር እንተኣተወ እንታይ ክፋእ ኣለዎ?’’ ክብል ይሓትት፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ \"ውድባት ግብረ ሽበራ\" ኢሉ ዝበየኖም ህወሓትን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ወተሃደራዊ ምትሕብባር ንክገብሩ ከም ዝተሰማምዑ ገሊጾም እዮም፡፡ ብህወሓት ዝዕብለል ኢህወደግ ንኢትዮጵያ ኣብ ዘመሓደረሉ እዋን ኦነግ ግብረሽበራዊ ተባሂሉ ነይሩ፡፡ በዚ ድማ ምስቲ ውድብን ምንቅስቓስ እቲ ሰራዊትን ብዝተሓሓዝ ብዙሕ ጉድኣት ከም ዝበጸሖም ኣባላት እቲ ጉጅለ ይዛረቡ፡፡ ጎሊቻ ደንጌ ‘‘ዋላ'ኳ ኣብ ናይ መሪሕነት ቦታ እንተዘይነበርኩ እቲ ሰራዊት ምስ ህወሓት ሓቢሩ ንምስራሕ ምስምምዑ ብትሪ ይቃወም ነይረ’’ ኢሉ፡፡ ‘‘ነቲ ሰራዊትን ነቲ ህዝብን ኣየዘራረቡን፤ እዚ ኣብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ተቐባልነት የብሉን’’ ኢሉ። ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኣብዚ እዋን ብሰፊሑ ኣብ ምዕራብን ደቡብን ኦሮምያ እዩ ዝንቀሳቐስ፡፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ዝንቀሳቐሰሎም ከባቢታት ሰበ ስልጣን ሓዊሱ ሰላማውያን ሰባት ብምቕታል ሽሙ ብተዳጋጋሚ ይለዓል፡፡ ኣብ ቀረባ ድማ ናይ ጉጂን ቦረናን ኣባገዳታት ‘‘ሸኔ ናይ ኦሮሞ ጸላኢ እዩ’’ ኢሎም ኣዊጆም፡፡ እቲ ውድብ ቅድም ክብል ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ ብናይ ቃልሲ ሽሙ ጃል መሮ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኩምሳ ድሪባ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ገይሩ ከም ዝሸሞ ገሊጹ ነይሩ፡፡","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58648676"} {"headline":"ቅትለት ከረዩ ኣባ ገዳ፡ ኣብ ምብራቕ ሸዋ ክልል ኦሮምያ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?","content":"ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ክልል ኦሮምያ ምብራቕ ሽዋ ንወረዳታት ቦሰትን ፈንታሌን ዘዋስን ካራ ወይ ከኣ ሞቶማ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ 14 ሰባት ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት ይሕብሩ። ካብ መንጎ እቶም ዝተቐትሉ ሓደ ኣባ ገዳ ከረዩ ዝኾነ ከድር ሃዋስ ቦሩ ይርከቦም። መንግስቲ እቲ ክልል፡ ንኣባ ገዳ ከድር ሃዋስ ዝቐተሎ 'ሸኔ' ዝተብሃለ ብግብረ ሽበራ ዝተበየነ ጉጅለ እዩ ኢሉ ይኸስስ። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣባላት ስድራ እቶም ዝተቐትሉን ነበርቲ እቲ ከባብን ግን፡ ነቲ ኣባ ገዳ ሓዊሱ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ 14 ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ከም ዝተቐትሉ እዮም ዝገልጹ። ወሃቢ ቃል ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ብወገኑ ነቲ ኣባ ገዳ ሓዊሱ ብሓይልታት መንግስቲ ዝተቐትሉ ሰባት 23 ምዃኖም ይገልጽ። እቲ ቅትለት ዝተፈጸመ ከረዩ ኦሮሞ ስነ ስርዓት ገዳ ኣብ ዘካይድሉ አዋን ኮይኑ፡ ስልጣን ገዳ ዘለዎም ሰባት ሰፊሮምሉ ኣብ ዝርከብ ቦታ ከምዝኾነ በቲ መጥቃዕቲ ሓዉ ዝተቐትሎ ናባሪ ወረዳ ፈንታሌ ይዛረብ። ንሱ ከምዝብሎ፡ 22 ሕዳር 22\/2014 ዓ.ም [ብኣቆጻጽራ ግእዝ] ሓይልታት ጸጥታ ኣባ ገዳታት ተኣኮቦም ዝነበርሉ ቦታ ከቢቦም ብምሓዝ 41 ሰባት ሒዞም ከይዶም። እቲ ሓዉ ዝተቐትሎ ነባሪ ከምዝብሎ፡ ካብቶም ብሓይልታት ጸጥታ ዝተወስዱ 14 ሬሰኦም ተደርብዩ ዝተረኸበ ኾይኑ፡ ክልተ ሰባት ድማ ኣምሊጦም መጺኦም፤ ዝተረፉ ግና ናበይ ከምዝኣተዉ ዛጊድ ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን። መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ብወገኑ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ \"ኣባ ገዳ ከረዩ ዝተቐትሉ ብኣሸባሪ ጉጅለ ሸኔ እዩ\" ኢሉ። እቲ መግለጺ፡ ካብቶም መራሕቲ ኣባ ገዳ ወጻኢ ብዛዕባ ቅትለት እቶም ካልኦት ሰባት ዝበሎ የለን። \"ህዝቢ ከረዩ ንመንግስቲ ድጋፍ እንትወጽእ ዝተኸታተለ ሸኔ፤ 'ህዝቢ ተላዕለለይ ዘለኻ ንስኻ ኢኻ' ኢሉ ንኣባ ገዳ ከረዩ ከድር ሃዋስ ብዘስካሕኽሕ ኩነታት ቀቲሉዎም\" ይብል መግለጺ እቲ መንግስቲ። ንባዕሉ ሰራዊት ናጽነት ኦሮም እናበለ ዝጽውዕ እቲ ጉጅለ፡ መንግስቲ ሸኔ እናበለ ዝጽወዖ ኾይኑ፡ ቅድሚ ኣዋርሕ ባይቶ ቤት ምኽሪ ምስ ህወሓት ሓዊሱ 'ጉጅለ ራዕዲ' ኢሉ ከምዝበየኖ ዝዝከር እዩ። ሰራዊት ናጽነት ኦሮም ብወገኑ፡ ነቲ ቅትለት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ \"ሰላማውያን ሰባት ብሓይልታት መንግስቲ ምቕታሎም ኣዝዩ ዘሰንብድ እዩ\" ኢሉ። \"ሓይልታት መንግስትን ውድብ ብልጽግናን፡ ሰላማውያን ሰባት ጸጥ ንምባል ዓሊሞም ዝፈጸምዎ ቅትለት እዩ\" ኢሉ። ሓይልታት ጸጥታ ካብቶም ኣኪቦም ዝወሰዱዎም 41 ሰባት ነቶም ኣወዳት ፈልዮም ከምዝገረፍዎም እቲ መእንተ ድሕነቱ ስሙ ክጥቀስ ዘይደሊ ሓው እቲ ግዳይ ይዛረብ። ካብቶም ብሓይልታት መንግስቲ ሚጤ ናብ ዝተብሃለ ከባቢ ዝተወስዱ ሰባት እቶም ክልተ ኣምሊጦም ምምጸኦም ድማ ይዛረብ። ንሱ፡ እቶም 14 ሰባት ብኸመይ ከምዝተቐትሉ ካብቶም ዘምለጡ ከምዝሰምዐን ምስ ካልኦት ኮይኑ ሬሰኦም ኣብ ምልዓል ከምዝተሳተፈን ወሲኹ ይዛረብ። ቢቢሲ ዘዘራረቦ ካልእ ነባሪ እቲ ከባቢ ድማ፡ 40 ሰባት ከምዝተወስዱን ንኣባ ገዳ ከድር ሃውስ ሓዊሱ፡ ረቡዕ ምሸት 14 ከምዝተረሸኑ ተዛሪቡ። እዚ ነባሪ፡ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣባ ገዳ ከድር ሃዋስ ኣብ ወረዳ ቦሰት፡ ቃዋ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ከምዝተፈጸመ ወሲኹ ይዛረብ። ረቡዕ ምሸት ምስተቐትሉ ሬሰኦም ክሳብ ሓሙስ ምሸት ከይተልዓለ ከምዝጸንሐ ክልቲኦም ነበርቲ ይዛረቡ። ናይቶም ሰባት ስነ ስርዓት ቀብሪ ድማ ዓርቢ ከምዝተፈጸመ እዮም ዝዛረቡ። ክልቲኦም ነበርቲ ከምዝብልዎ፡ እቶም 41 ሰባት ተትሒዞም ዝተወስዱ ብናይ ፍሉይ ሓይሊ ኦሮምያ ክዳን ዝተኸድኑ ሰባት እዩ። ቅድሚ እቲ ዝተፈጸመ ቅትለት፡ ሓይልታት ጸጥታ መንነቶም ምስ ዘይተፈልጡ ሰባት ውግእ ኣካይዶም ምንባሮም እቲ ሓው ዝተቐትሎ ነባሪ ይዛረብ። ቅድሚ ሓደ ሰሙን ቀዲሙ ወረዳ ፈንታሌ ምስ ዓፋርን ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ኣብ እትዋሰነሉ ከባቢ ኣብ ዝነበረ ውግእ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ ከቢድ ጉድእት ከምዝበጽሐ ሰሚዐ ነይረ። እቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ምስዚ ብዝተኣሰሰር ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝግምት። እንተኾነ፡ እቲ ነባሪ ከምዝብሎ \"ኣባ ገዳታት ጎንጺ እንትህሉ የተዓርቑ ምበር ኣብ ኲናት ኣይሳተፉን\" ኢሉ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59537538"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ኣብ ታሪኻ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ህልቂት ኣትያ 'ላ'- ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና","content":"እቲ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ጠቕላላ ጉባኤ ዘካየደ፡ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ)፡ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት፡ እታ ሃገር ርእይቶ ናብ ዘይትፈልጥ ቅልውላው ከምዝኣተወት ተዛሪቡ። እታ ሃገር ካብዚ ደልሃመት ክትወጽእ እትኽእል ብ'ሓቀኛ እንካን ሃባን' ጥራይ ከምዝኾነ ድማ ሓቢሩ። ፕሮፌሰር መረራ: \"ኢትዮጵያ ክትቅጽል ኣለዋ ዝብሉን ብሓድነት ኢትዮጵያ ዝኣመኑን ሓይልታት ምእንቲ ሃለዋት እታ ሃገርን ምእንተ ህዝባን፡ ከፍ ኢሎም ብእንካን ሃባን፡ ክዘራረቡ ኣለዎም\" ኢሉ። እታ ሃገር ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ኲናት፣ ህልቂትን ጥሜትን ከምኡ'ውን ናይ ሚልዮናት ምዝባልን ምውጻእ ዝከኣል ብሓቀኛ ሃገራዊ ዕርቂ ጥራይ ምዃኑ ወሲኹ ተዛሪቡ። \"ኢትዮጵያ ይኣኽላ፤ ኣብ ታሪኻ ርእያቶ ናብ ዘይትፈልጥ ህልቂት ኣትያ ኣላ። ካብ ምቅትታልን ምጥፍፋእን ክትወጽእ ኣለዋ። ዝሰልጠነ ዓለም ካብዚ ዝወጽአ፡ ብዕውት ሃገራዊ ዕርቂ፣ ዝርርብ፣ ናጻን ፍትሓውን መረጻ ብምክያድን ስርዓት ዲሞክራስን ብምስፋንን እዩ \" ኢሉ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ንኽልተ መዓልታት ጉባኤ ዘካየደ ውድብ ፖለቲካ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ)፡ ኣብ ሓፈሻዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዘድሃበ መግለጺ ቅዋም ኣውጺኡ ነይሩ። እቲ ሰልፊ ኣብታ ሃገር ንዘለዉ ዘሻቕሉ ጉዳያት፣ ጉዕዞ ቃልሲ ህዝቢ ኦሮሞን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተገበረ ፖለቲካዊ ለውጥን ብዝምልከት ከም ዝዘተየ ገሊጹ እዩ። ኦፌኮ ኣብ መግለጺኡ፡ ኲናት ትግራይ ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብን ዘይተገደበ ረድኤት ክሓልፍን ዝጸወዐ ዀይኑ፡ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ፡ ሃገራዊ ዘተ፡ ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ ኣሎ። ፕሮፌሰር መረራ፡ ኦፌኮ ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ዘይሳተፈሉ መኽንያት ካብ ኣበጋግስኡ ጀሚሩ መሰራተዊ ጉድለት ዘለዎን፡ ነጻን ዘይሻራውን ብዘይምዃኑን እዩ- ኢሉ። \"ነጻን ዘይሻራዊን ዘይኮኑ ትካላት፡ ክፈርዱን ከሸማግሉን ከምዝይክእሉ ኩሉ፡ ብተመሳሳሊ መገዲ ኩሎም ተጻባእቲ ኣካለት ዘየሳትገፍ መድረኽ ትርጉም የብሉን\" ኢሉ። ፕሮፌሰር መረራ፡ ብቐንዱ ዘልዕሎ፡ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሓይልታት ዘይምክታቶም ምዃኑ ተዛሪቡ። እቲ ተጣይሱ ዘሎ ኮሚሽን፡ ነቶም ኣብ ጫካታተት ኦሮምያ ዘለዉ ዕጡቓት ከዛረብ ይኽእል ዶ፡\" ክብል ይሓትት። ኣብ ትግራይ ልዕሊ 200 ሽሕ ሰራዊት ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ከምኡ፤'ውን ዕጡቓት ኦሮሞ፡ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ ዕጡቓት ጋምቤላ ብምጥቃስ፡ \"ነዚኦም እንታይ ኢሉ እዩ ዕጥቂ ኣውርዱ ክብሎም፡ ንሳቶምከ ይሰምዕዎ ዶ\" ክብል ወሲኹ ይሓትት እቲ ፕሮፌሰር። ብተወሳኺ፡ \"መሳራታዊ ጉዳያት ዘየማለአን፡ ካብ ገዛኢ ውድብ ካብ ባዕሉ 98 ሚኢታዊነት ዝተቖጻጸሮ ፓርላማ መልሚሉን 'ሃገራዊ ሰነያ ፍጠሩ' እንተበለ፡ ሃገራዊ ዕርቂ ዶ ይፈጥር ? እንታይ እዮም ዝገብሩ ዘለዉ? ተቓወምቲ ውድባት ዘይተስማምዕሉ\" ኢሉ ፕሮፌሰር መረራ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት። መንግስቲ፡ እዞም ኮሚሽነራት ብህዝቢ ዝተመርጹ እዮም እዩ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ፕሮፌሰር መረራ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ መረጻ ኩሉ ግዜ 'መስሐቒ' ምዃኑ ተዛሪቡ። ስርዓት ሃይለስላሴ፣ ደርግን ኢህወዴግን በብገኖም ኩሎም 'መረጻ ኣካይድና' ይብሉ ከምዝነበሩ ታሪክ ኣዘኻኺሩ። \"እቲ ሓቂ ግን፡ ህዝቢ ከምዘይመረጾም ኢና ንፈልጥ። እዚ ኩነታት እዩ ኢትዮጵያ ናብዚ ኣብጺሕዋ ዘሎ\" ኢሉ። እቲ ኣብ ቀረባ ዝተኻየደ መረጻ፡ ድማ ሰለስተ ነገራት ኣይፈትሐን ኢሉ ይኣመን።፥ ሰላምን ምርግጋእን፣ ዲሞክራስያዊ ስርዓት፡ ከመኡ'ውን ቁጠባዊ ልምዓት ኣየረጋገጸን ኢሉ። \"ኣብ ታሪክ ኢትዮጵያ ተራእዩ ዘይፈልጥ ጥሜት ተፈጢሩ ኣሎ። ንኣሸሓት ዓመታት ሓቢሮም ዝነበሩ ህዝብታት ኣመሓራን ቅማንትን ናብ ህልቂት ኣትዮም። ንዘመናት ሓቢሮም ዝነበሩ ኣገው፣ ኣምሓራን ትግራይን ዝተፈጠረ ህልቂት ምጥቃስ የከኣል እዩ። 'ካብዚ ምጥፍፋእን ምቅትታልን ንውጻእ' ኢና ንብል ዘለና\" ክብል ኣረዲኡ። ኦፌኮ ደጋጊሙ ሃገራዊ ልዝነብ አዝዩ ዝሃትት፡ ስልጣን ብዘይ መረጻ ክሕዝ ይደሊ ድዩ ብዝብል ንዝቐረበሉ ሕቶ እንትምልስ፡ \"ስልጣን ናይ ህዝቢ እዩ፤ መብዛሕትና ካብ'ቲ መረጻ ተደፊእና ኢና ወጺእና። ኣብዝሓ ኢትዮጵያዊ ኣብ'ዚ መረጻ ኣይተደሳተፈን። እቲ መረጻ ነጻን ቅቡልነት ዘለዎን ኣይኮነን\" ኢሉ። ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት መረጻ፡ ኣብ ኣብዝሓ ከባብታት ከምዘይተኻየደ እዩ ዝገልጽ። \"ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ዝዓበየ ክልል ኦሮምያ እዩ፤ ኣብዚ ክልል ዳርጋ መረጻ ኣይነበረን። መረጻ ኣሎ ማለት ተነሓናሒ ኣሎ ማለት እዩ። ኣብቲ ክልል፡ ገዛኢ ውድብ ምስ ባዕሉ እዩ ተወዳዲሩ። ምስ ባዕልኻ ንምውድዳር ስለ ምንታይ ናይ ህዘቢ ሃብቲ ይፈስስ\" ኢሉ። ከምኡ'ውን ኣብ ኣብ ክልል ሶማሊ፡ ሓርነት ግንባር ኦጋዴን [ኦብነግ] ካብቲ መረጻ ተደፊኡ ምውጽኡ ብምዝኽካር፡ \"መረጻ ዝምስል ዝነበረ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ክልል ኣምሓራን ጥራይ እዩ\" ኢሉ። ኣብ ኣብዝሓ ከባብታት ክልል ቤንሻንጉል ጉመዝ፡ ከምኡ'ውን ኣብ መላእ ትግራይ መረጻ ከምዘይተኻየደ ብምጥቃስ፡ መረጻ ኢልካ ንምጽዋዕ ዝምጥን ከምዘይኮነ ኣረዲኡ። ከምኡ'ውን ብዘይሻራዊ ኮሚሽን ዝካየድ መረጻ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ሓቢሩ። ኮሚሽንን ኮሚሽነራትን ሃገራዊ ዕርቂ ዝጽውዕ ዝነበረ ኦፌኮ ዶ ኣይኮነን፡ እቲ ኮሚሽን ነጻ ኣይኮነን ንምባል እንታይ መረዳእታ ኣለኩም ተባሂሉ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ፕሮፌሰር ነቶም ሽድሽተ ከሚሽነራት ከምዝፈልጦም፡ እንተኾነ፡ ነዐኦም ምፍላጥ ዘይምፍላጥ ዘገድስ ከምዘይኮነ ተዛሪቡ። \"እቲ መስርሕ ዝተበላሸየ እዩ፤ ከይተወልደ ዝሞተ ኮሚሽን እዩ\" ኢልዎ። \"ገዛኢ ውድብን፡ ደገፍቱን ኣብ ዝደልዩዎ ግዜ ኣብ ፓርላማ ተቐሚጦም ክዘራረቡ ይኽእሉ እዮም። እዚ ኮሚሽን ግን ንተቓወምቲ ውድባት ይውክለናዶ፡ የዛርበናዶ ዝብል እዩ። እዚ ከሸማግለና ኣይኽእልን። እዚ ኮሚሽን ንኢትዮጵያ ዕርቂ ክፈጥረላ ወይ ድማ ከሰጋግራ ይኽእሉ እዩ ዝብል እምነት የብለይን\" ኢሉ። ዝተፈላለዩ ኣካለት ንምሽምጋል፡ ኣብ ወጻኢ ኮነ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ናይ ባዕሉ ኣከያይዳ ከምዘለዎ ብምሕባር፡ ሳልሳይ ወገን ዝኣትወሉ፡ ወይ ድማ ተሸማገልቲ ነናይ ባዕሎም ሰባት ዘቕርብሉ ኣገባብ ኣዘኻኺሩ። ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ፡ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ምስ ህወሓት ናብ ኲናት ምእታው ከምዘየድልን እቲ መረጻ ብኮቪድ-ኣመኽኒኻ ምመንዋሕ ኣድላይ ከምዘይበረን መኺረዮ ነይረ ይብል።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60938202"} {"headline":"ኣብ ኦሮሚያ ምብራቕ ወለጋ 15 ሰባት ከምዝተቐተሉ መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ወለጋ፤ ወረዳ ኪረሙ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት [30 ጥቅምቲ 2014 ኣ.] ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ህይወት ሰባት ከምዝጠፍአን ንብረት ከምዝዓነወን መሰኻኸር ዓይኒ ንቢቢሲ ተዛሪቦም። በቲ ሃሮ ኣብ ዝተበሃለ ከባቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 15 ሰባት ከምዝተቐተሉ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሃይሉ ኣዱኛ ገሊጾምልና። ቢቢሲ ዘዘራረቦም መሰኻኽር ዓይኒ በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካብ ሞንጎ ዝሞቱ ኣባላት ሓደ ስድራ ከምዝርከብዎም ሓቢሮም። ብወገን ኣምሓራን ኦሮሞን ዘለዉ ማሕበረሰብ በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነሓድሕዶም ይካሰሱ። ብሓደ ገጽ እቲ ጎንጺ ኣብ ሞንጎ ነበርቲ ከምዝተወለዐ ክግለጽ ከሎ፤ ብኻልእ ወገን ድማ እቲ ንባዕሉ ‘ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ’ ክብል ዝጸውዕን መንግስቲ ‘ኦነግ ሸኔ’ ዝብሎን ጉጅለ ከምኡ’ውን ሓይልታት ኣምሓራ ኣብቲ ጎንጺ ኢዶም ከምዝሓወሱ ይዝረብ። ኣብ ወርሒ ነሓሰን ዝሓለፈ መስከረምን እውን ኣብቲ ከባቢ ተመሳሰልቲ መጥቃዕትታት ተፈጺሞም ህይወት ሰባት ከምዝጠፍአ ይዝከር። ኣይተ ሃይሉ “ሸኔን ‘ኣኽረርቲ’ ሓይልታትን እዮም ኣብቲ ከባቢ ጸገም ፈጢሮም” ክብል ነቲ ብሰንበት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ይገልጽ። ኣብዚ እዋን ሓይልታት ጸጥታ ናብቲ ከባቢ ስለዝተዋፈሩ እቲ ኩነታት ከምዝሃድአ ዝሓበረ እቲ ሓላፊ፡ ነቲ “ካብ ካልእ ከባቢ ዝመጽኡ ዕጡቓት እዮም ፈጺሞምዎ” ዝብል ክሲ ይነጽጎ። “ኣጀንድኦም ንኣምሓራን ኦሮሞን ናብ ግጭት ምእታው ስለዝኾነ ተዋዲዶም ኣብ ምንቅስቓስ ይርከቡ። ኣብቲ ቦታ ካብ ካልእ ካባቢ መጺኡ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ የለን” ኢሉ። ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ትማሊ ረቡዕ መግለጺ ዘውጽአ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ፤ “ዕጡቓት ሸኔ ካብ 30 መስከረም ጀሚሮም ኣብ ቀበሌ ሃሮ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ” ብዙሓት ሰባት ከምዝተቐተሉ፣ ኣካላዊ መጉዳእቲ ከምዝበጽሐን ንብረት ከምዝዓነወን ሓቢሩ። እቶም ዕጡቓት ኣብቲ ከባቢ ብምህላዎም ድማ “ኣስከሬናት ግዳያት ምልዓልን ጉድኣት ዝበጽሖም ናብ ሕክምና ምውሳድን ከምዘይተኽኣለ ከምኡ’ውን ህጻናትን ደቂኣንስትዮን ኣብ ጫካ ከምዝርከቡን” ገሊጹ። ነበርቲ ድማ ኣብ ከቢድ ስግኣት ከምዝወደቑ ኣዘኻኺሩ። ውድብ ፖለቲካ ኢዜማ ብወገኑ፡ ኣብ ምብራቕ ወለጋን ከባቢኡን ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ዜጋታት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ብቕልጡፍ ደው ክብል ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣተሓሳሲቡ። “ድሕነት ንጹሃን ዜጋታት ንምሕላው ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ዘለዉ ኣካላት ጸጥታ ፌደራል ቁጽሮም ውሑድ ብምዃኑ ነቲ ህዝቢ ከድሕንዎ ካብ ዘይምኽኣሎም ብተወሳኺ ንባዓሎም እውን ግዳያት መጥቃዕቲ ይኾኑ ኣለዉ” ኢሉ። ኣብ 12 ነሓሰ 2013 ኣ.ግ “ዕጡቓት ሸኔ” ብዝተበሃሉ ኣካላት “ንብሄር መሰረት ዝገበረ” መጥቃዕቲ ብምፍጻሞም ልዕሊ 150 ሰባት ከምዝተቐተሉን ብዙሓት ካብ መረበቶም ከምዝተፈናቐሉን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ ነይሩ። ብ7ን 8ን መስከረም 2014 ኣ.ግ ድማ ኣብ ቀበሌ ኪራሙ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 29 ሰባት ከምዝተቐተሉን ልዕሊ 40 ሽሕ ነበርቲ ከምዝተፈናቐሉን ሽዑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከምዘፍለጠ ይዝከር።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58908974"} {"headline":"ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ተዓጊቶም ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ኩባንያ ዕደና ወርቂ ናጻ ተለቒቆም","content":"ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዝርከብ ቱሉ ኬፒ ንዝተብሃለ ዕደና ወርቂ ዝተዋፈረ ኩባንያ ዝሰርሑ ኣርባዕተ ውልቀ ሰባት ንሰሙናት ተዓጊቶም ድሕሪ ምጽናሕ ነጻ ከምዝተለቐቑ ንቢቢሲ ገሊጾም። ቢቢሲ ካብቶም ኣርባዕተ ተዓጊቶም ዝነበሩ ወጻዕተኛታት ዝርከብዎም ከምዝኾነ ሓበሬታ'ኳ እንተረኸበ፡ እቲ ኩባንያ \"ንሰራሕተኛታቱ ብማዕረ ዝርኢ\" ብምዃኑ ብዛዕባ እዚ ፈልዩ ሓበሬታ ንምሃብ ፍቓደኛ ከምዘይኮነ ገሊጹ። ሰራሕተኛታት እቲ ኩባንያ ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ዝተዓግቱ ኮይኖም፡ መንነት እቶም ፈጸምቲ'ቲ ተግባር ዛጊድ ኣይተፈልጠን። ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ፡ መንግስቲ ኦነግ-ሸኔ እናበለ ዝጽወዖን ብግብረ ሽበራዊ ዝበየኖን፡ ንሱ ንባዕሉ ግንባር ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ እናበለ ዝጽውዕ ውድብ ግን፡ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ዝፈልጦ ነገር ከምዘየለ ቅድም ክብል ሓቢሩ እዩ። እቲ ኩባንያ ብዝኮነ ምክንያት ኣብ ቀይዲ ዘውዐሎም ዜጋታት እንትህልዉ፡ 'ንዝምልከቶም ኢምባሲታት ከምዘፍልጥን ድሕነቶም ተሓልዩ ናብ ኣዶም ከምዘርክብን' ወሃቢ ቃል እቲ ጉጅለ ንቢቢሲ ብጽሑፍ ዝሃቦ ምላሽ የመልክት። እቲ ኩባንያ በዚ ፍጻመ ምክንያት ስርሑ ጠጠው ኣቢሉ ምጽንሑ ይዝከር። ገለ ምንጭታት ቢቢሲ ከምዝገለጽዎ፤ ሓደ ካብቶም ጅሆ ዝተትሓዙ ኣብቲ ወርቂ ዝወጽአሉ ስፍራ እዩ ተታሒዙ። እቲ ኩባንያ ሕዚ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ከምዝሓበሮ ድማ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ጅሆ ዝተትሓዙ ንምዕዳን እቲ ወርቂ ዘገልግሉ መገድታት ኣብ ምሕንጻጽ እንከለዉ እዩ። ብዛዕባ እቶም ዝተዓግቱ ውልቀሰባት መንነትን ኩነታት ኣተሓሕዘኦምን፡ ዘይተገልጸ ኾይኑ፡ ብሰላም ምስ ስድረኦም ምርኻቦም ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ። ቅድም ኢሉ፤ ዋና ሓላፊ እቲ ኩባንያ፡ ሃሪ ኣናግኖስታራስ-አዳምስን፡ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ካብ ቢቢሲ ተሓቲቱ፡ 'ናይ ጸጥታ ስግኣት' ካብ ምባል ወጻኢ ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ ነይሩ። እቲ ኩባንያ ካብ 19 መስከረም 2014 ዓ.ም [ብኣቆጻጽራ ግእዝ] ጀሚሩ፡ 'እቲ ኩነታት ጸጥታ ክሳብ ዝመሓየሽ' ብዝብል በቲ ዕገታ ምኽንያት ስርሑ ጠጠው ኣቢሉ ምጽንሑ እቲ ሓላፊ ሓቢሩ ነይሩ። እንተኾነ፡ ሚኒስተር መዓድን ኢትዮጵያ፡ ናይ ቱሉ ኬፒ ላዕለዋይ ኩባንያ ንዝኾነ ኩባንያ ዕደና ኬፊ ፍቓድ ኣይነሐድስን ከምዝበሎ ሓደ ናይ ውሽጢ ዓዲ መራኸቢ ብዙሃን ጸብጺቡ። እቲ ጸብጻብ ከምዝበሎ፤ እቲ ኩነታት ጸጥታ ተማሒሹ እናሃለወ ስርሑ ኣቋሪጹ ምጽንሑን ፍቃዱ ክናወሓሉ ምሕታቱን ተቐባልነት ከምዘይረኸበ እዩ ዘመልክት። እቲ ፕሮጀክት ስራሕ ንክጅምር 350 ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ከምዝገበረን፤ ኩነታት ተዓርዮም ንክጅምር ድልው ምዃኑን፡ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ኣታዊ ክረክብ ከምዝጅምር ምዃኑ ወሲኹ ተዛሪቡ። ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት እቲ ኩባንያ ናብ ስራሕ ዝምለሰሉ ጸብጻብ ከቕርብ ምዃኑ'ውን ገሊጹ። እቲ ዕድና ወርቂ ብዝምልከት፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝተፈረመ ስምምዕ መሰረት፡ ንዝቕጽል 20 ዓመታት ናይ ስራሕ ውዕል ይርከቦ። እቲ ኩባንያ ከምዝብሎ ሕዚ ኣብ ከባቢ እቲ ናይ ዕደና ቦታ፡ ገዚፍ ናይ ወርቂን ካልእ ማዕድንን ውህሉል ሃብቲ ይርክበ። ቅድሚ ሕዚ ዕጡቓት ኦነግ -ሸኔ፤ ክልተ ኣብ ሓደ ኩባንያ ዕደና ዝሰርሑ ዜጋታት ኣፍጋኒስታን ኣብ ቀይዲ ኣውዒሎም ምንባሮም ምግላጾም ይዝከር። ብተመሳሳሊ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ቀይዲ ኣውዒሉዎም ዝነበረ፡ ኣብቲ ዓውዲ ንዝተዋፈረ ኩባንያ ዝሰርሑ ቻይናውያን፡ ነቲ ዓለም ለኸ ኩባንያ ዕደና ከምዘረከቡ ምጽብጻብና ዝዝከር እዩ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59047380"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 20 ሰባት ብዓሌታዊ መጥቃዕቲ ተቐቲሎም ተባሂሉ","content":"ኣብ ዝሓለፉ ቀዳመ ሰናብቲ ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣዲስ ኣበባ ንኣንፈት ምዕራብ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ብዝተፈፀመ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ልዕሊ 20 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ተገሊፁ። እቲ ቅትለት ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 300 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ ትርከብ ወረዳ ኖኖ እዩ ተፈፂሙ። በዓል መዚ እቲ ከባቢ ኣይተ ወርቂና ፉርጌሳ፡ በቲ መጥቃዕቲ “ልዕሊ 20 ሰባት ተቐቲሎም ኣርባዕተ ድማ ቆሲሎም” ኢሉ። እቲ በዓል ስልጣንን ነበርቲ እቲ ከባብን፡ እቲ መጥቃዕቲ ብግንባር ብሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ (ኦነግ) ከም ዝተፈፀመ ከሲሶም። ተወለድቲ ኣምሓራ፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ኦሮሞ ናይ ሕነ-ምፍዳይ ስጉምቲ ብምውሳዶም ድማ ተወሳኺ ሞት፣ ዕንወት ንብረትን ምምዝባልን ከም ዘስዓበ ተገሊፁ። ፖሊስ፡ ነቲ ኩነታት ንምግታእ ሓይልታት ፌደራልን ክልልን ናብቲ ከባቢ ከም ዝተዋፈሩ ሓቢሩ። ብኻልእ ዜና ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፡ ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ሰለስተ ሰብመዚ ተቐቲሎም። ውድብ ብልፅግና ንቅትለት እቶም ሰበ ስልጣን ንግንባር ብሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ (ኦነግ) ከሲሱ። ኣብዚ እዋን ምስ ሓይልታት ትግራይ ተጣሚሩ ኣንፃር ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝቃለስ ዘሎ ግንባር ብሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ (ኦነግ)፡ ነቶም መጥቃዕትታት ከም ዘይፈፀመ ኣፍሊጡ። ሓይልታት ትግራይ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ብዝተወልዐ ኵናት ኣንፃር ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ኤርትራን ፍሉይ ሓይልን ምልሻን ኣምሓራ ዝዋግኡ ዘለዉ ኮይኖም፡ ኣብዚ እዋን እቲ ኵናት ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒኹ፤ ነታ ሃገር ናብ ሕድሕድ ኵናት ከየእትዋ ድማ ይስጋእ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59383902"} {"headline":"ባንኪ ዓለም ብጎንጽን ኲናትን ንዝተጎድኡ ኢትዮጵያውያን 300 ሚልዮን ዶላር ድጋፍ ኣጽዲቑ","content":"ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ብኲናትን ጎንጽን ንዝተጎድኡ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ኢትዮጵያውያን መሐገዝን መጣየሽን ዝውዕል ልዕሊ 300 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዝመደበ ኣፍሊጡ፡፡ ባንኪ ዓለም፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኲናትን ጎንጽታትን ህይወት ክጠፍእ፣ ሰብኣዊ ቅልውላው ክፍጠር ከምኡ ድማ ናይ ውልቀን ህዝብን ትካላት ክዓንዉ ገይሮም ዝበለ ኮይኑ እቲ ኩነታት ብዙሓት ሓገዝ ክደልዩ ከምዝገበረ ሓቢሩ፡፡ ብተወሳኺ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ክፈናቐሉን ጾታዊ መጥቃዕቲ ክጋደድን ምኽንያት ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ኣካላውን ጾታውን መጥቃዕቲታት ከምዝተፈጸሙ ዝገልጹ ብዙሓት ጸብጻባት ከምዝወጹ ኣዘኻኺሩ፡፡ እቲ ሓገዝ ዓለምለኻዊ ማሕበር ልምዓት(ኣይዲኤ) ብዝበሃል መደብ ዝቐረበ ኮይኑ በቲ ጎንጺ ንዝተጎድኡ ክፋላት ማሕበረሰብ መሐገዝን መጣየሽን ዝውዕል ፕሮጀክት እዩ፡፡ ዕላማታት እቲ መደብ ህጹጽ ጠለባት ማሕበረሰብ ብቕልጡፍ ምፍታሕ፣ ብጎንጺ ዝዓነዉ ትሕቲ ቅርጺታት ዳግም ምጥያሽን እቲ ማህበረሰብ ብኲናት ከይጉዳእ ብዘላቕነት ንምጥያሽ ዝግበሩ ጻዕርታት ምሕጋዝን ከምዝኾነ ካብ ዓለም ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡ ብፍላይ ነቲ ማሕበረሰብ ብህጹጽ ዘድልይዎ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ከቕርብን ጸቕጢ ክሊማዊ ለውጢ ክጻወሩ ዝኽእሉ ትሕቲ ቅርጺታት መሊሱ ክሃንጽን እዩ ኢሉ፡፡ በዚ መሰረት ድሌት ናይቶም ብኲናት ዝተሃሰዩ ማሕበረሰባት ንምምላእ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ማይን ጽርየትን ዝህቡ ተንቀሳቐስቲ ትካላት ክህነጹ እዮም፡፡ ብተወሳኺ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመን ኣካላት ካብ ዝበጸሐን ኣካላውን ስነልቦናውን ጉድኣት ክሓውያ ዝሓሸ ኣገልግሎትን ሓፈሻዊ ክንክንን ክረኽባን ከምዝግበር ባንኪ ዓለም ኣፍሊጡ፡፡ እቲ ፕሮጀክት ሃገራዊ እኳ እንተኾነ ኣብ ፈለማ ግና ነቶም ኣብ ቀረባ ከቢድ ኲናትን ጎንጽን ዘተኣናገዱ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ዓፋር፣ ቤንሻንጉልን ኦሮምያን ቀዳምነት ክህብ እዩ፡፡ ትልምታት እቲ ፕሮጀክት ብቕልጡፍ ንምፍጻም ብፌደራል፣ ክልልን ማሕበረሰብ ተኮር ትካላትን ከምዝትግበር ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ኲናት ይካየደሎም ኣብ ዘሎ ከባቢታት ድማ ብዘይሻራዊ ሳልሳይ ወገን ክስራሕ እዩ፡፡ ኣብ 1960 ዝተጣየሸ ዓለምለኻዊ ማሕበር ልምዓት ባንኪ ዓለም(ኣይዲኤ)፡ ኣብ ድኻ ሃገራት ቁጠባ ዘመሓይሽ፣ ድኽነት ዝቕንስን ህይወት ማሕበረሰብ ንዘመሓይሹ ኣናእሽቱ ፕሮጀክትታት ብቁሩብ ወለድ ዝሕግዝን ከምዝኾነ ኣብ ድህረ ገጹ ይገልጽ፡፡ እቲ ማሕበር ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከባ 74 ድኻ ሃገራት ሓገዝ ዝገብር ኮይኑ፡ እተን 39 ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ከምዝኾና ይሕብር፡፡","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61104840"} {"headline":"ፖለቲካዊ ጕዕዞ ኣርባዕተ ዓመት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ እንትፍተሽ","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጲያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ካብቲ ናብ ስልጣን ዝመጽኣሉ 24 መጋቢት 2010 ኣትሒዝካ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመት እንክድህሰስ፡ ኣብታ ሃገር ብዙሕ ልውጥታት ተራእዩ እዩ። መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ለውጢ ከም ዘምጽአ'ኳ እንተገለጸ፡ ብፖለቲካዊ መዳይ ክርአ እንከሎ ግን ኢትዮጵይያ ኣብ ሽግራት ኣትያ እያ። ልዕሊ ዅሉ ጐሊሑ ዝተራእየ ግን እቲ ኣብ መንጐ መንግስት ፌዴራልን ሓይልታት ትግራይ ዝተላዕለ ነታ ሃገር ኣብ ዓዘቕቲ ሸሚምዋ ዘሎ ኲናት እዩ። ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ኣቢሉ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጲያ ድሕሪ ዝተጓሃሃረ ምንቅስቓስ ለውጢ፡ ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ክመጽእ ምኽንያት ኰይኑ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ በዓል-ስይመቱ ፡ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ሰብን ንብረት ዝወረድ ኵሉ መዳያዊ ዕንወት ይቕረታ ሓቲቱ። ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ \"እዚ ሓድሽ ደሞክራሲያዊ ምዕራፍ ክውን ንክኸውን ኣሽሓት ተሰዊኦምሉ'ዩም፡\" ብምባል፡ \"እዚ ጭልግቁ ዘሎ ዲሞክራሲ ንምትራሩ ግን፡ ካብዚ ንንየው ኣካላዊ ይዅን ናይ ህይወት መስዋእቲ ኣየድልን፡\" ኢሉ። ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንመራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት፡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ'ውን መንግስቲ፡ \"ብናጽነት ክንቀሳቐሱ\" ከም ዝደሊ ኣገንዚቡ። \"ምቹእን ፍትሓዊ ዝዀነ መወዳደሪ ባይታን ምእንቲ ክህሉ፡ ብወገን መንግስቲ ጽኑዕ ድሌት ኣሎ፡\" ክብል ከኣ ኣነጺሩ። ኣብ ርእሲኡ፡ ንሞት ተፈሪዶም ዝነበሩ እሱራት ከይተረፈ ናጻ ክፋነዉን፤ \"ኣሸበርቲ\" ተባሂሎም ዝነበሩ'ውን፡ \"ኣሸበርትስ ባዕላትና ደኣ\" ብምባል፡ ንመብዛሕትኦም ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ክወጽኡን ገይሩ። ካብ ሃገር ወጺኦም ዝነበሩ ኣባላት ተቓወምቲ ሰልፍታትን ጋዜጠኛታትን'ውን ናብ ሃገሮም ከም ዝምለሱ ገይሩ። ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጲያን ን20 ዓመታት ዝቐጸለ ወጥሪ ንኽፍታሕ ብዝገበሮ ኣስተዋጽኦ ኸኣ ሽልማት ኖቤል ተቐቢሉ። ኣቢይ ኣሕመድ ሽልማት ኖቤል ዝተሸለመሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ነቲ ምስ ኤርትራ ዝነበረ ጕዳይ ዶብ ከም ዝዓርፍ ብምግባሩ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ርእሲኡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጲያ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምትእትታው ብዝገበሮ ጻዕሪ'ውን እዩ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጻኡ፡ ጽላት ቁጠባ ነጻ ንምግባር፡ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ንዝነበራ ትካላት፡ ቴሌኮሙኒኬሽን፡ መገዲ ኣየር ብኸፊል ናብ ብሕቲ ንምስግጋር ተወሲኑ። ነዚ ውሳነ ካብ ዝደፍአ ቀንዲ ምኽንያታት፡ ቁጠባዊ ዕብየት 'ታ ሀገር ቀጻልነቱ ንምርግጋጽ፣ ዝነበረ ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢን ናህሪ ዋጋታትን ንምቁጽጻርን፣ ዓቕሚ ምምንጫው ኣታዊ ንምሕያልን ንግዲ ወጻኢ ንምቅልጣፍ ዝብል እዩ ነይሩ። ነዚ ውሳነ ዝደረኸ ካልእ ምኽንያት'ውን፡ ኢትዮጲያ ዝነበራ ገዚፍ መጠን ልቓሕ እዩ። በዚ ውሳነ መሰረት፡ ኣብ ኢትዮ-ቴሌኮም ንልዕሊ 120 ዓመታት ተባሒቱ ዝነበረ ዓውደ-ቝጠባ፡ እቲ ብዝተፈላለየ ትካላት ዝቘመ ኣገልግሎት ቴሌኮም ፍቓድ ከም ዝወሃብ ተገይሩ። ዋላ'ኳ ክሳብ ሕጂ ክጥቀስ ዝኽእል ዕብየት እንተዘየርኣየ፡ ፓርክታት ኢንዱስትሪ፣ ፋብሪካ ሽኮር፣ ሆቴላትን ካልኦት ኣፍረይቲ ትካላትን ናብ ብሕታዊ ክፋል ክሰጋገራ ተወሲኑ። ኣብ ሓፈሻዊ ኵነታት ኢትዮጲያ፡ ዓቢይ ለውጢ ካብ ዘምጽኡ ኣጋጣሚታት ሓደ ቅትለት ፍሉጥ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብቐዳምነት ይጥቀስ። ሰኑይ፡ 22 ሰነ 2012 ዓ.ም. ምሸት፡ ሞት ድምጻዊ ሃጫሉ ምስ ተሰምዐ፡ ሽዑ ንሽዑ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ገለ ከባቢታት ኦሮሚያን ዕግርግርን ተቓውሞን ዝተላዕለ። ካብቲ ሞት ብተወሳኺ፡ ፈነዋ ሬሳን ስነስርዓት ቀብሪ ኣብ ዝፍጸመሉ ቦታን ዝተፈጥረ ቁሩቁስ፡ ነቲ ወጥሪ ኣኽሪርዎ። ብሰንኪ ቕትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት፡ ልዕሊ 150 ሰባት ብዘካሕክሕ ኣገባብ ተቐቲሎም። ኣብ ሓደ-ሓደ ከተማታት ድማ፡ ሆቴላት፣ ትካላት ንግዲ፣ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲን መንበሪ ኣባይቲ ወልቀሰባትን ብናዕበኛታት ዓንዮም። ድሕሪ 23 ሰነ ኣጋ ምሸት ድማ፡ ሓያለ ፖለቲከኛታትን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣብቲ ህውከት ተሳቲፎም እዮም ዝተባህሉ ሰባትን ብሓይልታት ጸጥታ ተዳጕኖም። ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጻኡ ተኸሲሶምሉ ዝነበሩ መዝገብን እግደን ተላዒሎም ናብ ሃገር ዝኣተው፡ ፖለቲካውያን ሓይልታትን መራሕትን ጸለውቲ ውልቀሰባትን ካብ ዝዀነ ጀዋር መሓመድ፣ በቀለ ገርባ፡ እስክንድር ነጋን ካልኦትን ተኣስሩ። እዚ ጥራይ ከይኮነ፡ ነቲ ህውከት ኣብ ምስዋር ግደ ነይርዎም ዝተባህሉ መደበራት ተሌቪዥን፡ ከም ዝዕጸው ክግበር እንከሎ፡ ጋዜጠኛታት'ውን ተኣስሩ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፡ ቦርድ ምርጫ፡ ናጻን ገለልተኛን ኰይኑ ከም ዝመዓራረ ክግበር፡ እቲ ኣብ 2012 ዓ.ም ከካይዶ ተባሂሉ ዝነበረ ምርጫ'ውን፡ ቅድመኡ ካብ ዝተኻየዱ ምርጫታት ዝተፈልየ ክኸውን ከም ዝደሊ ይገልጽ ነይሩ። በዚ መሰረት፡ ፖለቲከኛ ዝነበረት ወ\/ት ብርቱካን ሚደቅሳ ሓላፊት 'ቲ ቦርድ ተሸይማ፣ እቲ ዝነበረ ሕግታትን ኣወዳድባን ከም ዝመሐየሽ ብምግባር፡ ሻድሻይ ሃገራውን ክልላውን ምርጫ ዝካየደሉ ግዜ ሰሌዳ ወጺኡ፣ ፈለማ፡ ን10 ነሓሰ ድሒሩ ድማ ገለ ምምሕያሽ ተገይሩ ን 23 ነሓሰ 2012 ምርጫ ክካየድ ተወሲኑ ነይሩ። ድሕሪ ምልባዕ ኮሮና ኣብ ኢትዮጲያ ግን፡ እቲ ቦርድ፡ ኣብቲ ዝሓንጸጾ ዕለት ምርጫ ክግበር ከም ዘይከኣል ብምግላጽ፡ እቶም ምርጫ ንምክያድ ዘኽእሉ ምድላዋት ንግዚኡ ደው ክብሉ ከም ዝወሰነ ብ 22 መጋቢት 2012 ኣፍሊጡ። በዚ መሰረት፡ ስግኣት ኮሮና ተኣልዩ፡ ዝህሉ ጭቡጥ ኵነታት እንደገና ተገምጊሙ፡ ሓድሽ ምድላውን መስርሕ ምውሳን ግዜ ምርጫን ዘኽእል ስራሕ ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ። ነዚ ኣመልኪቱ፡ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጲያ፡ ነቲ ዝነበረ ጭቡጥ ኵነታት ጠቒሱ ምርጫ ክካየድ ከምዘይከኣል ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ብምቕራብ፡ እቲ ቤት ምኽሪ'ውን ውሳነ ሓሳብ 'ቲ ቦርድ ተቐቢሉ፡ ነቲ ጕዳይ ኣተረጓጕማ ሕገ-መንግስቲ ክግበረሉ ከም ዝሓተተ ይፍለጥ። ቤት ምኽሪ ፈደረሽን፡ ጉባኤ ምጽራይ ጉዳያት ሕገ-መንግስቲ ብሰንኪ ኮሮና ክካየድ ስለ ዘይከኣለ፡ ከምኡ'ውን ኣብያተ ምኽርን፡ ፈጸምቲ ኣካላትን ኣመልኪቱ ብዝቐረበሉ ትርጕም ሕገ-መንግስቲ መሰረት፡ ስግኣት እቲ ሕማም ክሳብ ዝሃለወ፡ ኣብያተ ምኽሪ ፈደራልን ክልላትን ስርሐን ክቕጽላ ወሲኑ። እቲ ምርጫ'ውን፡ ብመሰረት'ቲ ኣህጉራዊ ትካላት ምስቲ ሕማም ኣዛሚደን ንዝሃበኦ ሓበሬታታት ምርኩስ ጌርካ፡ ሚኒስትሪ ጥዕናን፡ ትካላት ጥዕና ሕብረተሰብን፡ እቲ ሕማም ስግኣት ጥዕና ህዝቢ ከም ዘይከውን ምስ ረጋገጹ፡ እቲ ምርጫ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ክግበር ተወሲኑ። ብኣንጻር'ዚ ግን፡ ነቲ ምርጫ ከናውሕ ዝኽእል ዝዀነ ጭቡጥ ነገር ኣብ ባይታ ከም ዘየለ ዝተኸራኸረ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ምርጫ ንምክያድ በይነ-ውሳነ ብምሕላፍን ምድላዋት ብምግባርን፡ ኣብ ጳጕሜን 4 ምርጫ ከም ዝካየድ ገበረ። ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ብወገኑ፡ እቲ ምርጫ ሕጊ ዝጠሓሰ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ተቐባልነት ዘይብሉን ከም ዘይተኻየደ ከም ዝሕሰብን ኣፍልጦ ከምዘይህቦን ገለጸ። ድሕሪ'ዚ፡ ኣብ መንጐ መንግስትን ክልል ትግራይን ዘይምርድዳእ እናኸረረ ከይዱ፡ ብ24 ጥቅምቲ፡ ቅሉዕ ኲናት ተወልዐ። ኲናት ሕድሕድ ሰሜን ኢትዮጲያ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ሽልማት ኖቤል ድሕሪ ምውሳዱ፡ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኲናት ማዕረ ክንደይ ኣዕናዊ ምዃኑን ከም ዘጨኻኽን ገሊጹ ነይሩ። እንተዀነ፡ ኣብ ዝሓለፉ 16 ኣዋርሕ፡ ሰራዊት ፌደራል ኣብ ሰሜን ኢትዮጲያ ንመራሕቲ ሕወሓት ብገበናት ብምኽሳስ ውግእ ከካይድ ጸኒሑ። መራሕቲ ትግራይን መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድን ፍልልይ እናገፍሐ፡ ናብ ውግእ ካብ ዝሰግር 17 ኣዋርሕ ተቘጺሩ'ሎ። እዚ ኲናት ካብ ክልል ትግራይ ሓሊፉ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ፡ ጠንቂ ሞት፡ ጥሜትን ምፍንቓልን ኣሽሓት ሰባት ኰይኑ'ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ጥቅምቲ 24\/2013 ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ዕስኪሩ ዝነበረ፡ 'ሰሜን እዝ' ምጥቅዖም ኢሉ ድሕሪ ምኽሳሱ'ዩ፡ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ትእዛዝ ዝሃበ። ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ዘመነ ስልጣን ኣቢይ ኣሕመድ፡ ብ 28 ሚያዝያ 2013፡ ክልተ ጕጅለታት፡ \"ኣሸበርቲ\" ተባሂሎም ተበይኑሎም። ህወሓትን ሸኔን 'ኣሸበርቲ' ተባሂሎም ዝተበየኑሉ ግዜ፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጲያ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት እናጸንከረ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን እዩ። ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ጥቅምቲ፡ ድሕሪ ዝጀመረ ኲናት፡ ኣብ ትግራይ ኵሎም መሰረታዊ ኣገልግሎታት ተቛሪጾም። ኣብዚ እዋን ናብቲ ክልል ዝኣቱ ሰብኣዊ ረዲአት ውሑድ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብሰንኪ ዝቐጸለ ውግእ'ውን ስለ ዝተሰናኸለ፡ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዝተፈጥረ፡ ኣህጉራዊ ትካላት ረዲኤት ይገልጻ ኣለዋ። ትካል ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ኣብ ትግራይ ጥራይ፡ 4.6 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ረዲአት ኰይኖም ከም ዘለው ገሊጹ። እቲ ትካል ኣብ መወዳእታ ጥሪ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ 40 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ትግራይ ንኸቢድ ሓደጋ ጥሜት ከም ዝተቓልዐ ኣፍሊጡ። ካብ መፋርቕ ታሕሳስ 2014 ጀሚሩ፡ ናብ ትግራይ ዝዀነ ረዲአት መግቢ ከም ዘይተላእከ፡ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ\/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገሊጹ። ንሱ፡ 83 ሚእታዊት ካብቲ ህዝቢ ውሕስነት መግቢ የብሉን ኢሉ። ዶ\/ር ቴድሮስ፡ 'ኣብዚ እዋን ካብ ዝዀነ ይኵን ክፍሊ ዓለም ጥዕና ሰባት ኣሻቓሊ ዝዀነሉ ቦታ ኣብ ትግራይ እዩ፡' ክብል ገሊጹ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ዶ\/ር ቴድሮስ፡ ንመንግስታት ኢትዮጲያን ኤርትራን፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ዘሎ 6 ሚልዮን ህዝቢ፡ ኣብ ዘይእውጅ ማዕቀብ ክወድቕ ብምግባሮም ከሲሱ። ኢትዮጲያ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫኣ ዝሓለፈ ሰነ ኣካይዳ። እዚ ብ14 ሰነ ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ፡ ሰልፊ ብልጽግና ብዓብላሊ ድምጺ ከምዝተዓወተ ተገሊጹ። ቦርድ ምርጫ ኣብቲ እዋን ከም ዘፍለጦ፡ ሰልፊ ብልጽግና ካብ 436 መናብር ነተን 410 ክዕወተለን እንከሎ፡ ንዝስዕብ ሓሙሽተ ዓመት መንግስቲ ክምስርት ዘኽእሎ መናብር ረኺቡ። እተን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝነጥፋን ሓያላት ተወዳደርቲ ክዀና ግምት ተነቢሩለን ዝነበረ ሰልፍታት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ [ኦነግ] ከምኡ'ውን ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ [ኦፌኮ]፡ 'ተገፊዕና ኢና' ብምባል ካብቲ ምርጫ ስሒበን። ኣብ ክልል ትግራይ'ውን፡ ብሰንኪ'ቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት መረጻ ኣይተገብረን። ኣብዚ ሻድሻይ ምርጫ፡ ተቓወምቲ ሰልፊታት ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ 11 መናብር ክረኽቡ እንከለው፡ ብውልቂ ዝተወዳደሩ ድማ ኣርባዕተ መናብር ረኺቦም። ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ 'ኣብን' ሓሙሽተ መናብር ክረክብ እንከሎ፡ ኣብ ክልል ደቡብ 'ኢዜማ' ኣርባዕተ መናብር፣ ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ ህዝቢ ጌድዮ ድማ ክልተ መናብር ረኺቦም። ውልቀ ተወዳደርቲ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓደ፣ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ድማ ሰለስተ ተዓዊቶም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽኣሉ ግዜ ጀሚሩ፡ ጐሊሑ ዝተራእየ ሽግር፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ዘሎ ሕድሕድ ግጭትን ምፍንቓልን እዩ። ብፍላይ ኣብ ክልል ኦሮሚያ፡ ዞባታት ምብራቕን ምዕራብ ወለጋ፣ ቤንሻንጕል፡ ዶባት ክልል ኣምሓራ ዝረኣዩ ግጭታትን ብሰንኩ ዝስዕቡ ምፍንቓላትን እናበኣሱ ይመጽኡ ኣለው። እዞም መጥቃዕቲታትን ምፍንቓላትን፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጲያ ድሕሪ ዝተወልዐ ኲናት መመሊሶም እናተሓላለኹ ምምጻኦም ይፍለጥ፤ እዚ ድማ መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሰላምን ድሕነትን ዜጋታት ከረጋገጽ ኣይከኣለን እናተባህለ ካብ ዝውቀሰሉ ጕዳያት ኰይኑ'ሎ። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንጐ ልሂቃን ኣብ ሃገራዊ ጕዳያት ዘይምርድዳእ ኣብ ርእሲ ምህላው፡ እቲ ኣብ መንጐኦም ዘሎ ዘይምትእምማን ምጥርጣርን፡ ንመስርሕ ህንጸት ዲሞክራሲ በዳሂ ይገብሮ። ነዚ ንምፍዋስ ድማ ኮሚሽን ሃገራዊ ምምኽኻር ኢትዮጲያ ቈይሙ ድሮ ስርሑ ከም ዝጅመር ተገይሩ'ሎ። እዚ ኮምሽን፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጲያ ዘለው መሰረታዊ ሃገራዊ ጕዳያት ንምምኽኻር፡ ሃገራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ዘኽእል መስርሕ ዝመርሕን ዘወሃህድን ኣካል ክኸውን እምነት ተነቢሩሉ'ሎ። እንተኾነ፡ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ነቶም ቀንዲ ኣብ ጎንጺ ዘለዉ ኣካላት ኣይከሳትፍን፡ ኣቃውማ'ቲ ኮሚሽን መንጎኛ ኣይኮነን ተባሂሉ'እዩ ዝውቀስ። ኣብ ክልላት ዓፋር፡ ኦሮሚያ፡ ደቡብን ሶማልን ብሰንኪ ድርቂ፡ ሚልዮናት ሰባት ኣብ ሽግር ወዲቘም ከም ዘለው፡ ዝተፈላለዩ ትካላት ይገልጹ ኣለው። ኣብዘን ክልላት፡ ሸውዓተ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ንሓደጋ ተቓሊዖም ብምህላዎምን ተጸበይቲ ህጹጽ ረዲአት ምዃኖምን እዘን ትካላት ብተወሳኺ ይገልጻ ኣለዋ። ኣብዘን ኣርባዕተ ክልላት፡ ብሰንኪ ኣብ ዘጋጠመ ሰለስተ ክራማት ዋሕዲ ዝናብ፡ ዘስዓቦ ድርቂ'ውን፡ ሓያለ ከብቲ ክሞታ እንከልዋል፡ ኣዝርእቲ ሃጕጉ፡ ሕጽረት ማይን መግብን ከኣ ንብዙሓት የፈናቕል ከም ዘሎ፡ ኣብ ኢትዮጲያ ወኪንል ዩኒሰፍ ጂያንፍራንኮ ሮቲግሊያኖ ንቢቢሲ ገሊጹ። ሓደሽቲ ክልተ ክልላት ኢትዮጲያ ኣብዪ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጻኡ፡ ክልተ ሓደስቲ ክልላት ክትረክብ ክኢላ እያ። ሲዳማ፡ ካብታ ንነዊሕ ዓመታት ማእከል ብሄርን ብሄረሰባትን ህዝብታትን ዝዀነት ደቡብ ክልል ወጺኣ ናይ ገዛእ ርእሳ ክልል ክትምስርት ሕቶ ተቕርብ ዝነበረት ዞባ እያ ነይራ። ኣቐዲሙ፡ ጠንቂ ህወከትን ምፍሳስ ደምን ኰይኑ ዝነበረ ሕቶ ክልልነት ሲዳማ፡ ብ 10 ሕዳር 2012 ዓ.ም ብዝተገብረ ህዝበ ውሳነ መዕለቢ ረኺቡ። ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ድሕሪ ምክያዱ፡ ሓሙሽተ ዞናትን፡ ሓደ ፍሉይ ወረዳን፡ ካብ ክልል ደቡብ ወጺአን ብሓባር ሓንቲ ክልል ንምምስራት ህዝበ ውሳነ -ረፈረንደም ኣካይደን። ብመሰረት ዝተገብረ ረፈረንደም ከኣ፡ ፍሉይ ወረዳ ኮንታ፣ ከምኡ'ውን ዞናት ምዕራብ ኦሞ፡ ቤንች-ሸኮ፡ ከፋ፡ ዳውሮን ሸካን ብሓባር መበል 11 ክልል መስረታ። ካብ ካልኦት ክልላት'ታ ሃገር ብዝተፈልየ፡ ልዕሊ 50 ብሄራት፡ ብሄረሰባትን ህዝብታት ዝሓዘት ደቡብ ክልል፡ ነዘን ክልተ ክልላት መልሲ'ኳ እንተሃበት፡ ካልኦት ኣስታት 10 ዝዀና ዞባታት'ውን ገና ሕቶ ክልል ምዃን ኣልዒለን ኣለዋ። ካብዚ ብዝተፈልየ፡ ተወከልቲ ዞባ ወላይታ፡ ካብ ቤት ምኽሪ ክልል ደቡብ ምውጽኦም እታ ዞን ዘቕረበቶ ሕቶ ብኣጋ መልሲ ንምርካብ ጸቕጢ ብምፍጣር ወጥሪ ኣስዒቡ ነይሩ። ምስዚ ተተሓሒዙ፡ መራሕቲ ካልኦት ከባቢታት'ውን ኣብ ኣኼባ እንከለው ብሓይልታት ጸጥታ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከም ዝውዕሉ ብምግባር፡ ዘይምርግጋእ ተፈጢሩ፡ ልዕሊ 20 ዝዀኑ ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60964904"} {"headline":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቐስ፡ ፋኖ መን እዩ? ብመንከ እዩ ዝምወል?","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢዪ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምጽኡ ሽም ፋኖ ብሕቡእ እዩ ዝለዓል ነይሩ። ኣብቲ እዋን ከም ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝረአ ዝነበረ ህዝባዊ ተቓውሞ \"ፋኖ\" ከኣ ኣብ ኣምሓራ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከባቢ ጎንደር ናይ መንእሰያት ሕቡእ ውዳበ ከምዝነበረ እዩ ዝንገር። ካብኡ ንደሓር ግን ኣብታ ሃገር ብዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ ብተደጋጋሚ ሽሙ ዝለዓል ናይ ዕጡቓት ጉጅለ ኮይኑ። ሓይልታት ትግራይ ምስ መንግስቲ ፈደራል፡ ኣብ ዝገበርዎ ውግእ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣብ ዝተቖጻጸረሉ እዋን ምስ ሓይልታት መንግስቲ ከምዝተሰለፉ ቢቢሲ ዘዛረቦም ሓለፍቱ ይዛረቡ። ብዛዕባ ፋኖ ዝዛረቡ ዝተፈላለዩ ሰባት፡ ዝኾነ ሰብ ተበዲሉ ንበረኻ ዝወጽአ ጭቆና ጸሊኡ ወይ መሪሩዎ ጠበንጃ ዘልዓለ \" ፋኖ\" ከምዝበሃል ይገልጹ። ብኣገላልጻ እዞም ሰባት \"ፋኖ\" ግፍዒ ዝፈጠሮ ናይ ለውጢ ሓይሊ እዩ። እቲ ጉጅለ ኣብ ህዝቢ ኣምሓራ ከም ናይ ህዝቢ ደጀን ክቑጸር እንከሎ፡ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሞ ገን፡ ጥሩፍ [ኣኽራሪ] ዕጡቕ ጉጅለ ኣምሓራ ክብል የውግዞ። ዓለም ለኸ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከኣ፡ እቲ ጉጅለ ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብዙሕ ሰብኣዊ ግህሰት ፈጺሙ'ዩ ክብሉ ይውንጅልዎ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቐስ ፋኖ እንታይ ይመስል? ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ናይ ፋኖ ውዳበ ይርከብ። ኣብ ሸዋን ወሎን ኣብ ጎንደርን ጎጃምን ንገዛእ ርእሱ ዝወደበሉ ግዜን ባህርያትን ኣሎ። አቶ ዘመነ ካሴ ንዝሓለፈ ሸሞንተ ወርሒ ነቲ ኣብ ጎጃም ዝተወደበ ጉጅለ \"ፋኖ\" ይመርሖ ኣሎ። ንሱ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ እትርከብ ቀስታ ኣብ እትበሃል ቦታ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ከምዝተዋግአ'ውን ንቢቢሲ ሓቢሩ። ስለምንታይ ፋኖ ክውድብ ከምዝደለዩ ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ፡ \"ህዝባዊ ኵናት ስለዝተኣወጀና፡ ህዝባዊ ምላሽ ክንህብ ግዴታ ኣሎና\" ይብል። አቶ ዘመነ እቲ ህዝባዊ ውዳበ ኣብ ኩሉ ክፋል ክልል ኣምሓራ ከምዘሎ ይኹን እምበር እቲ ኣብ ጎጃም ዘሎ ኣወዳድባ ቁሩብ ሕይል ከምዝብል ንቢቢሲ ይዛረብ። መንእሰያት ወሎን ሸዋን 'ፋኖ ምብራቕ ኣምሓራ' ዝብል ህዝባዊ ውዳበ ከምዝፈጠሩ ናይቲ ጉጅለ ናይ ትምህርትን ስልጠናን ህዝባዊ ርክባት ሓላፊ ኣቶ አበበ ፈንታው ንቢቢሲ ሓቢሩ። ኣብ 2008 ብሃገር ደረጃ ኣብ ዝነበረ ህዝባዊ ናዕቢ መንእሰያት ራያ ብሕቡእ ከምዝተወደቡ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ሓይልታት ትግራይ ደሴ ምስ በጽሑ ከኣ ናይ ፋኖ ሓይሊ ከምዝወደቡ፡ ክሳብ 2011 ግን ዕጥቂ ከምዘይነበሮም አቶ አበበ የረድእ። እቲ ታዕሊም እውን እንተኾነ ኣብ 2014 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ናይ መንግስቲ ጻውዒት ተቐቢሉ ዝተጀመረ እምበር ቀደም ከምዘይነበረ ሓቢሩ። ሓይልታት ትግራይ ንደቡብን ሰሜንን ወሎ ምስ ኣተው፡ ፋኖ ኣብ ዝተፈላለየ ግንባራት ምስ ሰራዊት መንግስቲ ተሰሊፉ ከምዝተዋግአ ኣረዲኡ። ኣቶ ዘመነ፡ ካልኦት ሓይልታት ንህዝቢ ኣምሓራ ከም ጸላኢ ክርእዩዎን ኣንጻሩ ክዕጠቑን ክወዳደቡን ምስ ጀመሩን፡ ከምኡ እውን ሓይልታት ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ክግስግሱ ምስ ጀመሩ ኣብ ነሓሰ 2013 \"ፋኖ\" ከዕጥቑን ክውድቡን ከምዝጀመሩ ይዛረብ። እዚ እቲ ሓጺር ዕላማ ኮይኑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝእለም ፖለቲካ ኣብ ጽልኢ ዝተመስረተ ብምዃኑ፡ እቲ ናይ ነዊሕ እዋን ሸቶ ነዚ ጽልኢ'ዚ ንምምካት ከምዝኾነ ይኣምን። ብሰንኪ'ቲ ኲናት፡ ብዙሓት ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተመዛቡሉ፣ ከምዝሞቱን ከምዝተሰዱን ብምሕባር፡ ህዝቢ ኣምሓራ ርእሱ ኣቕኒዑ ክሳብ ዝኸይድ፡ ምንቃሕን ምዕጣቕን፡ ምትእኽኻብ 'ህዝባዊ ሓይሊ ኣምሓራን' ኣገዳሲ ምዃኑ የረድእ። ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ስሙ ዝለዓል 'ፋኖ' ጉጅለ \"ፋኖ\" ኣብ ኣርባዕቲኦም ዞባታት ወለጋ፣ ኣብ ዞባ ምዕራብ ሽዋን ሰላማውያን ሰባት ብምቕታል፣ ንብረትን ገዛውትን ብምቅጻልን ብምዕናውን ብተደጋጋሚ ይኽሰስ። ኣብ ቀረባ ድማ፡ ኣብ ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ አካባቢ ንዘጋጠመ ክስተት ብክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያን ነበርትን ክሲ ቀሪብሉ እዩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ከኣ ኣብ ክልል ኦሮሚያ፡ ምዕራብን ምብራቕን ሸዋ ኣብ ዝነበረ ህዝቢ፡ ሓለፍትን ኣባላትን ፋኖ ብተመሳሳሊ ተግባር ይኽሰሱ እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ዞባ ሰሜን ሸዋ ክልል ኣምሓራን ምብራቕ ሸዋ ክልል ኦሮሞ ኣብ ዝዳወብሉ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኣባለት ፌደራል ፖሊስን ናይቲ ኣካባቢ ሚሊሻን ነበርትን ሞትን ጉድኣትን ኣጋጢሙ። እቲ መጥቃዕቲ ብመን ከምዝተፈጸመ እኳ እንተዘይተፈልጠ ኣብ ክልቲኡ ከባቢ ዘለው ኣባላት ምምሕዳር ግን ካብ ጎዶቦ ዝመጽኡ ዕጡቓት ከምዝፈጸምዎ እዮም ዝገልጹ። ናይ ኦሮሚያን ኣምሓራን ክልላት ሓለፍቲ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ እቲ መጥቃዕቲ \"ጥሩፋት ሓይልታት\" ኣብቲ ሕብረተሰብ ዕግርግር ንምፍጣር ብመደብ ከምዝፈጸምዎ ገሊጾም። ብምቕጻል ከኣ፡ መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ኣብቲ ክልል ንዝንቀሳቐሱ ሕሉፋት ጥሩፋት ዕጡቓት ፋኖ ኮኒኑ። ኣብ ክልል ኦሮምያ መጥቃዕቲ ይፍጽም ኣሎ ብዛዕባ ዝበሃል ዘሎ \"ፋኖ\" ዝበሃል ጉጅለ፡ ንቢቢሲ ምላሽ ዝህብ ኣካል ኣይተረኽበን። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ኤፍራታና ግድም ወረዳታት ኣብ ዝርከብ ኣከባቢ ዝተቐትሉ 20 ዝኾኑ ውልቀሰባት ተሓተትቲ ምዃኖም፡ ኣብቲ ኣከባቢ ዝርከቡ ሰበስልጣን ንቢቢሲ ገሊጾም። ናይ ኤፍራታን ግድምን ወረዳ ሓለፊ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ ቅትለትን ዕንወትን ዕጡቓት ሸኔ እዮም ዝሕተቱ ክብሉ እንከለው፡ እቶም ናይ ወረዳ ጅሌ ጥሙጋ ሓለፍቲ ግን እቶም ተሓተትቲ ሓይልታት \"ፋኖ\" እዩ ይብል። እቲ ኣብ ልዕሊ ፋኖ ዝቐርብ ክሲ ካብ ኦሮምያ ሓሊፉ ኣብ ቤንሻንጉልን ዞባ መተከልን እውን ይስማዕ እዩ። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነባሪ ድባጤ እተባህለት ዓዲ ኣብቲ ከባቢ ክንቀሳቐሱ ዝፈልጡዎም ዕጡቓት ፋኖ 15 ሰባት ከምዝጨወዩን ሓደ ካብኦም ኣውቲስታ ምንባሩን ክልተ ሰባት ድማ ከምዝተቐትሉን ተዛሪቡ። ናይቲ ከባቢ ሓለፍቲ ብዛዕባ እቲ ጭውያ ክውን ከምዝነበረ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም እዮም፤ እቶም ዝጨወዩ ግን ኣባላት ፋኖ ምንባሮም ካብ ምዝራብ ተቖጢቦም ኣለው። ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይኽሰስ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዓለምለኻዊ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ አምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ተወላድቲ ትግራይ ንዝተፈጸመ ኢሰብኣዊ ተግባራት ዕጡቓት ፋኖ ከምዝፈጸምዎ፡ ኣብ ጸብጻቦም ኣስፊሮም። ነቲ ጉጅለን ሓለፍቲ ክልል ኣምሓራን ብገበን ክሐተት ዝጠልቡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ዘይሕጋዊ ኣወዳድባ ንከፍርሶን ካብቲ ከባቢ ከውጸኦን ሓቲቱ ኣሎ። ነቲ ኲናት ስዒቡ፡ ንምዕራብ ትግራይ ተቖጻጺሮም ዝርከቡ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣምሓራን እዞም ዘይስሩዓት ጉጅለታት ፋኖን፡ ብዝፈጸምዎ ግፍዒ፡ ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ህዝቢ ክመዛበልን ኣሸሓት ህይወቶም ክስእኑን ምኽንያት ከምዝኾኑ ይኽሰሱ። እቲ ሪፖርት ድሕሪ ምውጽኡ ኣብ ኣምኒስት ኢንተርናሺናል ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተመራማሪ ኣቶ ፍስሃ ተኽለ፡ \"ከም ፋኖ ዝኣመሰሉ ዕጡቓት ምሊሻ ብዝፈጸሙዎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዘለው ተወላዶ ትግራይ ሓደገኛ እዩ። ስለዚ እቶም ሓይልታት ካብቲ ከባቢ ክወጽኡ ኣለዎም። ኣብ ካልእ ኣከባቢ ዝፈጸምዎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ስለእንፈልጥ ዕጥቆም ፈቲሖም ይበተኑ ዝበልና ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን\" ክብል ንቢቢሲ ቃል ሂቡ። ዕጡቓት ፋኖ ኣብ ካልእ ክልላት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ስሞም ከምዝርቋሕ ዝተሓተቱ ሓላፊ ውዳበታት እቲ ጉጅለ ኣቶ ዘመነ፡ \" ንሕና ንፈልጦ ነገር የብልናን፡ ከምኡ ይግበር እዩ ኢልና ከኣ ኣይንኣምንን\" ክብሉ ምላሽ ሂቦም። ህዝቢ ኣምሓራ ንነብሱ ብፋኖነት ወዲቡን ኣዕጢቑን ኣብ ኩሉ ዝነብረሉ ኣከባቢ ምስቲ ህዝቢ ተኸኣኢሉ ብስኒት ዝነብር እምበር ኣንጻር ታሪኻዊ ክብርታቱ ዝናቖርን ዝርብሽን ኣይኮነን ክብል ይምጕት። 'ሕዚ እውን ስልጠና ፋኖ ይቕጽል ኣሎ' ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልል ኣምሓራ ምስ ወጽኡ እውን እንተኾነ ሕዚ እውን ፋኖ ይዕለሙን ይስልጥኑን ኣለው። ስለምንታይ እዩ ከምኡ ዝኸውን ዘሎ ተባሂሎም ዝተሓተቱ መራሕቲ ፋኖ፡ ሕጂ እውን ሓይልታት ትግራይ ካብ ገለ ክፋል ራያን ዋግን ግዝኣት ክልል ኣምሓራ ምሉእ ብምሉእ ኣይወጹን ክብሉ እዮም ዝምልሱ። ኣቶ ዘመነ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ወልቃይትን ሑመራን ድፍዓት ይኹዕቱን ይዳለውን ስለዘለው ናይ ወራር ስግኣት ምህላው ይጠቅስ። ኣቐዲምካ ምድላው ንስግኣት የወግድ እዩ ዝብል ኣቶ ዘመነ 'ንፋኖ ምምልማልን ምዕጣቕን ሕዚ እውን ክቕጽል እዩ\" ክብል የረድእ። ኣብ ርእሲኡ ከም ህዝበ ኣምሓራ ንነብስና ተኸቢርና ምስ ካልኦት ሕብረተሰብ ተኸባቢርና እንኸደሉ ግዜ ክሳብ ዝመጽእ ንገዛእ ነብሳኻ ምቕራብን ምዕጣቕን ኣገዳሲ እዩ ኢልና ኢና ንኣምን\" ይብል። እቶም መራሕቲ ፋኖ ዝሓስቡዎ ሰላም ኣብ ክልል ኣምሓራ ምስ ምስ ተረጋገጸ፡ 'እንታይ ኢኹም ክትኮኑ?' ዝብል ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሎም ሕቶ ክልቲኦም፡ \" ነናብ ሞያና ንምለስ\" ክብሉ መሊሶም። አቶ አበበ ከኣ ፍሉይ ሓይሊ ይኹን ሓይልታት ምክልኻል፡ ፋኖ ንኸየሰልጡኑ ከምዘይከልከሉዎም እቲ ስልጠና ይቕጽል ከምዘሎ ገሊጹ'ሎ። አቶ አበበ፡ ካብ ወለጋን መተከልን ከምኡ እውን ካብ ዝተፈላለየ ናይ ደቡብ ክልል ኣከባቢ ናብኦም ብምምጻእ ስልጠና ዝወሰዱ ተወለድቲ ኣምሓራ ከምዘለዉ ይዛረብ። አቶ ዘመነ ግን ካብ ክልል ኣምሓራ ወጻኢ መጺኦም ወተሃደራዊ ስልጠና ዝወሰዱ ከምዘየለው ይገልጽ። ክልቲኦም እቶም ሓለፍቲ ፋኖ ኣብ ቀረባ እዋን ኩሉ ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላልን ምምሕዳርን ክጥርነፉ \"ብሓደ እዚ\" ክመሓደሩን ይሰርሑ ከምዘለው ሓቢሮም። ጉጅለ ፋኖ ብመን እዩ ዝሕገዝ? ሓለፍቲ ፋኖ ምብራቕ ኣምሓራ፡ ምክልኻል ፈደራል ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ናይ ኣጽዋር ደገፍ ከምዝገበረሎም ይዛረብ። ኣቶ ኣበበ ሓይልታት ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ምስ ኣተው ምክልኻል ፈደራል 30 ከላሺን፡ ኣርባዕተ ላውንቸር፣ ብሬንን ስናይፐር ከምዝሃቡዎ ይዛረብ። መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ከኣ ሓደ ዶሽካ ከምዝሸለሞምን ናይ ስንቂ ደገፍ ከምዝገብረሎምን የረድእ። አቶ አበበ ሳሕቲ ካብ ፍሉይ ሓይሊ ትእዛዝ ዝቕበሉ እኳ እንተኾኑ ነቲ ግንባር ዝመርሕ ሰራዊት ምክልኻል ብምዃኑ ኩሉ ትእዛዝ ካብ ምክልኻል ፈደራል ከምዝቕበሉ ይዛረብ። ኣቶ ዘመነ ብወገኑ ካብ ህዝብና ኢና ንድገፍ ብማለት ካብ ክልል ኣምሓራ ይኹን ምክልኻል ናይ ዕጥቂ ኮነ ስንቂ ደገፍ ረኺቦም ከምዘይፈልጡ የብርህ። መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ፋኖ ዕጥቁ ኣይፈትሕን እዩ ንዝበሎ፡ \"እቲ ዘረባ ንፋኖ ከነዕጥቖ ኢና\" ማለት ከምዘይኮነ ብምሕባር ካብቲ ክልል ኮነ ካብ ምክልኻል ዝግበረሎም ምንም ዓይነት ደገፍ ከምዘየሎ ይዛረብ። አቶ ዘመነ እንታይ ዓይነት ኣጽዋር ከምዝተዓጠቑ ምስተሓተቱ \" እኹል ምስትውዓል ስለዘና 'ኣብ ገዛና ደው ኢልካ ሓልወና' ዝዓይነቱ ምሓዝ ንባዕሉ ቁም ነገር'ዩ\" ብምባል ዝርዝር መልሲ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ። ናይ ምብራቕ ኣምሓራ ፋኖ ኣወዳድባ ብዝምልከት ኣቶ ኣበበ ሓይልታቶም ብስም ጄነራል አሳምነው ጽጌ ኣብ ዝተሰየመ ሓደ ብርጌድ ከምዝወደቡዎ ይገልጹ። እዚ ዝተጠቕሰ ብርጌድ ኣብ ድፋዕ ዘሎ ምዃኑ ኣብ ድሕሪት ዝተወደበ ሓይሊ ፋኖ ግን ብኣሽሓት ዝቑጸርን ሓያሎ ብርጌዳት ከምዝኾኑን የረድእ። አቶ ዘመነ ክንደይ ዝኾኑ ፋኖ ከምዝሰልጠኑ ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ፡ \"ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ጽባሕ ከኣ ሚልዮናት ክንከውን ኢና\" ብምባል መሊሱ። ንኣወዳድበኦም ብዝምልከት ከኣ ፍልይ ዝበለ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣወዳድባ ኣለዎም ካብ ምባል ወጻኢ ዝርዝር ሓበሬታ ክህብ ኣይደለየን። ኣቶ ኣበበ እውን \"መላእ ወሎን ሸዋን ሰልጢኑ ኣሎ ክብል እኽእል\" ብምባል ኣብ ወሎ ጥራሕ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ከምዝሰልጠኑ ንቢቢሲ ሓቢሩ። መንግስቲ'ኸ ብዛዕባ ፋኖ እንታይ ይብል? ኣብዚ ቐረባ ግዜ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ንላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት መግለጽን ናይ ስራሕ መምርሕን ኣብ ዝሃቡሉ እዋን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዘይስሩዕ ዕጡቓት ሓይልታት ዕጥቆም ከውርዱ ከምዝግባእ ተዛሪቡ ነይሩ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ፊት ንፊት ዝቖሙ ሓይልታት (Parallel Forces) ኣብ ዝብል፡ ን\"ሸኔ\" ጥራይ ሽሙ ክረቑሖ እንከሎ፡ እዞም ዕጡቓት ሓይልታት ነቲ ትካል ብዝጻረር መገዲ ክቖሙ ከምዘይበሎም ኣብሪሁ። ኣብ ዝቐረባ ግዜ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተንተንቲ ፖለቲካ ምስ ርእይቶ ቀዳማይ ምኒስተር ዝሰማማዕ ሓሳብ ኣልዒሎም። እቶም ምሁራት፡ እዚ ሕጂ ኣብ ፈቐድኡ ዝረአ ዘሎ ብዝሒ ናይ ዕጡቓት ሓይልታት ብምንቃፍ፡ ኣብ ሓደ ሃገር ናይ ኣጽዋር ልዕልና ክህልዎ [monopoly of legitimate violence] ዝግበኦ መንግስቲ ጥራሕ'ዩ ይብሉ። ርእሰ ምምሕዳር መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ፡ ምስ ህዝቢ ባህርዳር ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ በቲ ክልል ብዛዕባ ዝንቀሳቐስ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ሂቡ ነይሩ። ኣብቲ መግለጺ፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ደሴ ምስቀረቡ መንእሰያት ክልል ኣምሓራ ክዓጥቁን ክኸቱን ጻውዒት ከምዘቕረቡ ብምዝካር ሽዑ ብዙሓት መንእሰያት ነቲ ጻውዒት ተቐቢሎም ኣብቲ ውግን ከምዝሞቱን ከምዝቐሰሉን ተዛሪቡ። ብምቕጻል \"ንኣበርክተኦምን ተወፋይነቶምን ዓቢ ክብሪ ኣሎና። ኣፍልጦን ሽልማትን እውን ነዳሉ ኣለና\" ኢሉ። \"በዚ መሰረት ከኣ እቶም ንሃገሮም መስዋእቲ ዝኸፈሉ ፋኖ ብርቅን ድንቅን እዮም \" ብማለት ዕጥቆም ክፈትሑ ኮነ ክከላበቱ ከምዘይግባእ ብወግዒ ተዛሪቡ። ዶ\/ር ይልቃል፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ'ቲ ክልል ድሕሪ ምውጽኦም ብዙሓት መንእሰያት ካብ ከተማታት ጎንደር፣ ባህርዳር፣ ደሴን ፋኖ ኢና ኢሎም ከምዝተላዕሉ ጠቒሱ። ብምቕጻል \"ፋኖ ኢና ኢልካ ምቛም ጽቡቕ እዩ፤ ይቑሙ። ጽባሕ ሽግር እንተጋጢሙና ክዋጋእን ክምክትን ይኽእሉ እዮም\" ድሕሪ ምባሉ፡ \"ግን ከኣ ኣብ ዝተፈላለየ ኣከባቢ ብስም ፋኖ በደል ዘብጽሑ ዘለው ኣካላት ክኹነኑ ይግባእ\" ብምባል ኮኒንዎም። እቲ ርእሰ ምምሕዳር ኣስዒቡ፡ \"ልዕልና ሕጊ፣ ናይቲ ክልል ህዝቢ ሰላምን ድሕነትን ከረጋግጽ\" ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ \" ኣብ ዝኾነ መንግስቲ ዘለዎ ሃገር ካብ መንግስቲ ወጻኢ ወተሃደራዊ ሞያ የለን፡ ክነብር ከኣ ኣይክእልን\" ኢሉ። ከምኡ እንተቐጺሉ ክስዕብ ዝኽእል ሓደጋ ከአንፍት እንከሎ፡ ንሶማልያ፡ የመንና ሊብያን ብምጥቃስ፡ ሃገር ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ 'ዕጡቓት' ክትወድቕ ትኽእል እያ ክብል ኣጠንቂቑ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61253652"} {"headline":"ኣቦ መንበር ኦነግ ዳውድ ኢብሳ ድሕሪ ሓደ ዓመት ካብ ገዛ ወጻኢ ተራእዩ","content":"ኣቦ መንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ድሕሪ ሓደ ዓመት ካብ ገዝኡ ወጺኡ ከምዝተርኣየ ምንጪታት ንቢቢሲ ገሊጾም፡፡ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ሎሚ ምስ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣኼባ ንምግባር ናብ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኣምሪሑ ከምዝነበረ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት፡፡ ቅድሚ መዓልቲታት ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ናይ ነዊሕ ግዘ ኣቦ መንበር ኦነግ ኣቶ ዳውድ፡ ንኣስታት ሓደ ዓመት ካብ ገዝኡ ከይወጽእ ተኸልኪሉ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከምዘሎ ኣጻርየ ረኺበ ኢሉ ነይሩ፡፡ በዚ መሰረት እቲ ተግባር ካብ ሕጊ ወጻኢ ምዃኑ ብምግላጽ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቦ መንበር ዝተገበረ ናይ ምንቅስቓስ ክልከላ ክለዓል እቲ ቦርድ ናብ ኮምሽን ፖሊስ ፌደራልን ናብ ኣገልግሎት ሃገራዊ መረዳእታን ድሕነትን ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ምሕታቱ ዝዝከር እዩ፡፡ ካብ ናይ ገዛ ማሕዩር ኣቶ ዳዉድ ብተወሳኺ ብዙሓት ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ውድብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዮም ዝርከቡ፡፡ ኣባላት ፈጻሚ ስራሕ እቲ ውድብ ዝኾኑ ሚካኤል ቦረንን ኬነሳ ኣያናን ሓዊሱ ከም ዳዊት ኣብደታን ለሚ ቤኛን ዝበሉ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ውድብ ሐዚ እውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዮም ዝርከቡ፡፡ ወሃቢ ቃል ኦነግ በቴ ኡርጌሳ እውን ዋላኳ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ቤት ማእሰርተ እንተተፈተሐ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዘጋጠሞ ጸገም ጥዕና ሕክምናዊ ክትትል ይገብር ኣሎ፡፡ ጠበቓታት ናይቶም ፖለቲከኛታት፡ ቤት ፍርዲ ነቶም ዓማዊሎም ነጻ እንተበሎም'ኳ፡ ፖሊስ ክፈትሖም ፍቓደኛ ከምዘይኮነ ቅድሚ ሕዚ ንቢቢሲ ተዛሪቦም ነይሮም፡፡ ብዛዕባ ናይ ዳውድ ኢብሳ ካብ ናይ ገዛ ማሕዩር ምፍታሕ፡ ዛጊድ እቲ ውድብ ዝበሎ ነገር የለን፡፡","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60763699"} {"headline":"ኢትዮጵያ: 5 ምኽንያታት ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ንዘሎ ስእነት ሰላም","content":"ምዕራብ ኦሮሚያ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ሰባት ብግፍዒ ዝቕተሉሉ፣ ዝፈናቐሉሉን ንብረት ዝዓንወሉን ከባቢ ኮይኑ ቀጺሉ’ሎ። ኣብ ወርሒ ሰነ 2013 ኣቆጻጽራ ግእዝ ብተኸታተልቲ መዓልታት ኣብ ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ብዘስካሕክሕ ኩነታት ብዕጡቓት ከምዝተቐተሉ ጸብጻብ ኣመልኪቶም ነይሮም። ኣመሓደርቲ፣ ሰራሕተኛታት መንግስትን ካልኦትን’ውን ግዳያት እቶም መጥቃዕቲታት ኮይኖም’ዮም። ቅድሚ ኲናት ትግራይ ዝጀመረ ስእነት ሰላም እቲ ከባቢ ሎሚ’ውን ዝቐጸለ ኮይኑ ኣብ ሞንጎ ማሕበረሰብ ምጥርጣራት ክፍጠር ጌሩ’ሎ። ንምዃኑ እታ ብሰላማዊ ናብራ ህዝባ ትልለ ዝነበረት ወለጋ-ምዕራብ ኦሮሚያ ህድኣት ክትስእንን ብዙሓት ሰባት ግዳያት መጥቃዕቲ ክኾኑን ዝገብሩ ዘለዉ ምኽንያታት እንታይ እዮም? ካብ ሞንጎ እቶም ምኽንያታት ነቶም 5 ክነቕርብ። ምንቅስቓስ ዕጡቓት እቲ መንግስቲ ‘ሸኔ’ ዝብሎ፡ ንብዓሉ ‘ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ’ ዝብል ጉጅለ ዕጡቓት ኣብ ምዕራብን ደቡብን ኦሮሚያ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ንመንግስታት እቲ ክልልን ፌደራልን ፈተና ኮይኑ ጸኒሑ’ሎ። ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት እዚ ጉጅለ ተሓታቲ ዝኾነሉ ኣብ ልዕሊ ኣመሓደርቲ ዞባ ካማሺ [ክልል ቤኒሻንጉል] ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ስዒቡ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ካብ መንበሪኦም ክፈናቐሉን ብዙሓት ክቕተሉን ምኽንያት ከምዝኾነ ይዝከር። ሸኔ ወይ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ብጃምላዊ ቅትለት፣ ዘመተ፣ ቅትለት ሰላማውያን ሰባትን ሹመኛታት መንግስትን፣ መንገዲ ብምዕጻው፣ ንብረት ህዝብን መንግስትን ብምዕናው፣ ሰባት ብምጭዋይን ካልኦት ገበናትን ብመንግስቲ ይኽሰስ። ኣብ ወርሒ ሰነ 2013 ኣቆጻጽራ ግእዝ ኣብ ወረዳ ኪራሙ ካብ ዝተፈጸመን ልዕሊ 100 ሰባት ዝሞቱሉን መጥቃዕቲ ብህይወት ከምዝተረፈ ንቢቢሲ ዝተዛረበ ሓደ ሓረስታይ ኣብዚ እዋን ሃዲሙ ኣብ ክልል ኣምሓራ ይርከብ። ንድሕነቱ ብዝብል ስሙ ዘይንጠቕሶ እዚ ሓረስታይ፡ ኣብ ወለጋ ተወሊዱ ከምዝዓበየ ይዛረብ። በቲ ኣብ ከባቢኦም ዝተፈጠረ ስእነት ሰላም ድማ ንዕጡቓት ‘ሸኔ’ ተሓተትቲ ይገብር። “ነዚ ጸገም ዘምጽእ ዘሎ ኦነግ ሸኔ እዩ። ንሕና ደኣ ተዋሊድናን ተዛሚድናን እንዲና ንነብር ኔርና” ይብል። ሎሚ ዓመት ከይተሓረሰ ዝተረፈ ሰፊሕ መሬት ከምዘሎ ብምሕባር ድማ ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎም ተወለድቲ ኣምሓራ ካብቲ ከባቢ ከምዝተመዛሉ ተዛሪቡ። መብዛሕቲኦም ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዝፍጸሙ መጥቃዕትታት ንተወለድቲ ኣምሓራ ዒላማ ከምዝገብሩ’ኳ እንተተገለጸ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ’ውን ግዳያት ካብ ምዃን ኣይተረፉን። እዞም መጥቃዕቲታት ከኣ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምትታት ንኽውሰዱ ምኽንያት ይኾኑ ኣለዉ። ዕጡቓት ኣምሓራ ኣብ ዞባታት ምብራቕ ወለጋን ሆሮ ጉድሩን መጥቃዕትታት ክፍጸሙ ምስጀመሩ፡ ዕጡቓት ኣምሓራ’ውን ሕነ ናይ ምፍዳይ ሰጉምቲታት ክወስዱ ምጅማሮም ይክሰሱ። ኣብ እዋን ደርግ ናብቶም ከባቢታት ክሰፍሩ ዝተገበሩ ተወለድቲ ኣምሓራ ብዙሓት ከምዝኾኑ ይግለጽ። ንነዊሕ ዓመታት ድማ ተወለድቲ ኦሮሞን ኣምሓራን ብሰላምን ምትሕግጋዝን ይነብሩ ነይሮም። ኣብቲ ከባቢ ብፍላይ ዕጡቓት ክንቀሳቐሱ ካብ ዝጅምሩ ንደሓር ግን ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ብሄራት ጎንጺ ከጋጥም ጀሚሩ። “ቅድሚ ሎሚ እቶም ዕጡቓት ብዙሕ ሰብ ቀቲሎም’ዮም። ኣብዚ እዋን ከኣ ሕኒኦም ክፈድዩ ንዝረኸብዎ ኦሮሞ ይቐትሉ ኣለዉ። መዓልታዊ ሰብ ይቕተል ኣሎ” ይብል እቲ ንኩነታት ምዕራብ ኦሮሚያ ዝከታተል ተንታኒ። ኣብ ታሕሳስ 2014 ዓ.ም.ግ ኣብ ዞባታት ምብራቕ ወለጋን ሆሩ ጉድሩን ዕጡቓት ኣምሓራ ከምዝፈነውዎ ብዝተገለጸ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ክቕተሉ ከለዉ፡ ካልኦት ብዙሓት ተፈናቒሎምን ንብረት ዓንዩን። ኣብ ዞባ ሆሮ ጉድሮ ወረዳ ጀርዳጋ ጃርቴ ነባሪ ዝኾኑ ውልቀሰብ በቲ መጥቃዕቲ ንብረቶም ስለዝዓነወ ካብቲ ከባቢ ከምዝተፈናቐሉ ይዛረቡ። “ትሸዓተ ሰባት ተቐቲሎም። እቶም ዝተቐተሉ ሰባት ክሃድሙ ዓቕሚ ዘይነበሮም’ዮም። ወዲ 90 ዓመት በዓል ጸጋ ዕድመ ካብ ሞንጎኦም ይርከብዎም ነይሮም” ክብሉ ድማ ሓቢሮም። ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ብሄራት ዕርቂ ንምውራድ ክዝትዩ ኮፍ ኣብ ዝበሉሉ እዋን፡ ተወለድቲ ኣምሓራ “ንድሕነትና ስለዝሰጋእና ፋኖ [ዘይስሩዕ ጉጅለ ዕጡቓት ኣምሓራ] ክመጽእ ጌርና'ለና” ክብሉ ምዝራቦም ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሓረስታይ ገሊጾም። ካልእ ተወላዲ ኦሮሞ ዝኾነ ሓረስታይ ድማ፡ ተወለድቲ ኣምሓራ ኣብቲ መንግስቲ ‘ሸኔ’ ክብል ዝጽውዖ ጉጅለ ክንቀሳቐሰሉ ዝጸንሐ ከባቢ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ይዛረብ። “ኣብዚ እዋን ንሳቶም [ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ] ኣብቲ ቦታ የለዉን። እዚ ናይ ብሄር ጎንጺ ዘይኮነስ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዝሓዘ እዩ። ሕነ ዝፈድዩ ዘለዉ እዩ ዝመስል” ክብል’ውን ወሲኹ ሓቢሩ። ኣመሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ነበር ኣይተ ኣለማየሁ ተስፋ፡ ሓደ እዋን ንመራኸቢ ብዙሓት ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ “ብዕጡቓት ኣምሓራ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ” ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። ኣብዚ ጉዳይ ነቶም “ዕጡቓት ኣምሓራ” ብዝብል ዝኽሰሱ ኣካላት ረኺብና ርእይቶኦም ክነካትት ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረልናን። ሓለፊ ቢሮ ምምሕዳርን ጸጥታን ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሻፊ ሑሴን ብወገኑ፡ ኣብቲ ንተወለድቲ ኦሮሞ ዘነጻጸረ መጥቃቲ ዝሳተፉ ኣካላት ኣብቲ ክልል ከምዝነብሩ ይገልጽ። መንግስቲ መንግስቲ ድሕነት ዜጋታት ናይ ምሕላው ሓላፍነት እንተሃለዎ’ኳ እቶም ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዝነብሩ ተወለድቲ ኦሮሞን ኣምሓራን ግን “ሓላፍነቱ ክፍጽም ኣይከኣለን” ክብሉ ይነቕፍዎ። “ኣካላት መንግስቲ ነቲ ኩነታት ክቆጻጸርዎ ኣይከኣሉን። መንግስቲ ብዝጠፍአ ህይወትን ብዝዓነወ ንብረትን ተሓታቲ ክኸውን ኣለዎ” ይብል ነባሪ ወረዳ ጃርዳጋ ጃርቴ ዝኸነ ሓረስታይ። ካልእ ነባሪ ብወገኑ ጎንጽታት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን “መንግስቲ ግን ስቕታ መሪጹ” ክብል ይዛረብ። ነዞም ክስታት ዘይቕበል ሓለፊ ቢሮ ምምሕዳርን ጸጥታን ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሻፊ ሑሴን “እኳ ደኣስ ዘለና ሓይሊ ኣብ ምዕራብ’ዩ ተዋፊሩ ዘሎ። መንግስቲ ዝተፈላለዩ ተግባራት ይፍጽም ኣሎ” ይብል። ካልእ ዝለዓል ክሲ ድማ “ሓረስታይ ንነብሱ ካብ መጥቃዕቲ ዝከላኸለሉ ዕጥቂ ብመንግስቲ ክፈትሕ ይግበር ኣሎ” ዝብል’ዩ። መንግስቲ ንሓደ ወገን ፈልዩ ዕጥቂ ከምዘየፍትሕ ዝገልጽ ኣይተ ሻፊ ብወገኑ፡ ብሰንኪ ኣብ ኢድ ሰባት ዘሎ ዕጥቂ ግን ጉድኣት ይበጽሕ ምህላዉ ተዛሪቡ። እቲ ካልእ ነቐፌታ ድማ ‘መንግስቲ ብወተሃደራዊ ወፍርታት ውጽኢት ከምጽእ ብዘይምኽኣሉ ናይ ዕርቂ ኣማራጺ ክጥቀም ኣለዎ” ዝብል ክኸውን ከሎ፡ ኣቶ ሻፊ ነዚ ብዝምልክት ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ መንግስቲ ነዚ ኣማራጺ ድልው ከምዝኾነ ብምሕባር “እቲ ጉጅለ ዕጡቓት ካብ ዘረባ ብዝሰገረ ንሰላም ድልዋት ኣይኮኑን” ይብል። ፖለቲካዊ ድልየታት ክልል ኦሮሚያ ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ክልላት ብስፍሓትን ብዝሒ ህዝብን ብቐዳምነት ይስራዕ። ስለዝኾነ ድማ እቶም ንፖለቲካ እታ ሃገር ክቆጻጸሩ ዝደልዩ ኣካላት ነቲ ክልል ዒላማ ከምዝገብሩ መንግስቲ ኦሮሚያ ስግኣቱ የቐምጥ። ሓለፊ ቢሮ ምምሕዳርን ጸጥታን ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሻፊ ሑሴን “ፖለቲካዊ ድልየት እዩ” ክብል ነቲ ኩነታት ይገልጾ። እቶም ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ድልየታቶም ብዘየገድስ ሸቶኦም ግን ተመሳሳይ ከምዝኾነ ብምሕባር “ሃገር ምፍራስ፣ ህዝቢ ክፈናቐል ምግባር፣ ንብረት ምዕናው፣ ናዕቢ ምፍጣር፤ እንተኺኢሎም ድማ ነዚ መንግስቲ ኣፍሪሶም ናይ ስግግር መንግስቲ ምምስራት’ዩ” ይብል። ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ተቓወምቲ ፖለቲካ ነቶም ዕጡቓት ክነቕፉ ከምዘይረኣዩ ብምግላጽ ከኣ፡ ከምኡ ብምዃኑ’ውን እቶም ዕጡቓት ከም ልቦም ከምዝኾኑ ኣረዲኡ። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝውልዑ ብሄር ተኮር ጎንጽታት ይውስኹ ምህላዎም ይፍለጥ። ንዘመናት ብሰላም ይነብሩ ዝነበሩ ማሕበረሰባት ካብ ቀረባ ዓመታት ንደሓር ግን ናብ ሓድሕዳዊ ጎንጺን ምጥርጣርን ክኣትዉ ከምኡ ድማ ርክባቶም ክሕርፍፍ ይረኣዩ ኣለዉ። ፖለቲካዊ ውድባት፣ መራኸቢ ብዙሃንን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያን ኣብዚ ኣሉታዊ ጽልዋ ዝዓዘዘ ብጽሒት ከምዝወስዱ ወሃብቲ ርእይቶ ይገልጹ። ኣብታ ሃገር ዝተስፋሕፍሐ ስእነት ስራሕ መናእሰይን ጽበት ናይ ሕርሻ መሬትን እውን መንቀሊ ቁጠባዊ ጸገማት ይኮኑ ብምህላዎም ንስእነት ሰላም ከም ምኽንያት ይቐርቡ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60213171"} {"headline":"ኢሰመኮ እቲ ብቪድዮ ዝረኣይ ጃምላዊ ቅትለት ኣብ ልዕሊ ‘ኦነግ ሸኔ’ ዝተብሃሉ ሰባት ብሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ከምዝተፈጸመ ከሲሱ","content":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነቲ ኣብዚ ቕነ ብማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሐ ብዙሓት ሰባት ካብ መኪና ክወርዱ ብምግባር ብጃምላ ክቕተሉ ዘርእይ ቪድዮ ከምዝመርመረን እቲ ቅትለት ኣብ ልዕሊ \"ኦነግ ሸኔ\" ዝተብሃሉ ሰባት ከምዝተፈጸመን ኣፍሊጡ። እቲ ቅትለት ኣብ ክልል ኣምሓራ ፍሉይ ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ ወረዳ ደዋ ጨፋ ፍሉይ ቦታ ኣንቶሊ ከምዝተፈጸመ ትማሊ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ሓቢሩ። እቲ ጃምላዊ ቅትለት \"ብሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ’’ መንግስቲ ከምዝተፈጸመ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ኢትዮጵያን ግን ብዛዕባ እቲ ቅትለት ዝሃቦ ርእይቶ የለን። እዚ ቅትለት ምስተፈጸመ ቢቢሲ ናብ ምምሕዳር እቲ ዞባ ብምድዋል ከፃርይ ዝተፈነ ኮይኑ፡ ሽዑ ዝተወሃቦ መልሲ \"ሓበሬታ የብልናን ክነፃርዮ ኢና\" ዝብል ነይሩ። ኣብቲ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ዝቀባበልዎ ዘለዉ ቪድዮ ብመኪና ተፃዒኖም ዝመፅኡ ሰባት ብሓይሊ እናተደፍኡ ክወርዱን ኣብ መሬት ብዝጸንሑ ዕጡቓት ብጠያይቲ ክቕተሉን ይረኣይ። ኣብ ርእሶም ፀሊም ጨርቂ ዝኣሰሩ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ እቶም ካብ መኪና ዝወርዱ ሰባት ኣብ ዝትኩሱሉ እዋን \"ጥይት ኣይተባኽን ብዓሉ ይሙት\"፤ \"ናብ መኪና ኣይትተኩሱ\"፤ \"ብጌጋ ናብ መኪና ተኲስካ ነዓይ ቀቲልካኒ ኔርካ\" ክብሉ ይስምዑ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ እቲ \"ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝተፈጸመ ቕትለት\" ክብል ዝገለፆ ጃምላዊ ቅትለት ምስቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣውፂእዎ ዝነበረ ፀባፃብ ካብ ሞንጎ ዝተዘርዘሩ ክስተታት ሓደ ከምዝነበረ እቲ ኮሚሽን ኣዘኻኺሩ'ሎ። ኣብቲ እዋን \"ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ኣብ ዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኻዊ ሕጊ ሰብኣውነትን ዝተኻየደ ምርመራ\" ዝብል ርእሲ ዝሃቦ ፀብፃብ ዘርጊሑ ነይሩ። ምስቲ ሰባት ካብ መኪና ክወርዱ ብምግባር ብዕጡቓት ክቕተሉ ዘርእይ ፍጻመ ብዝተሓሓዝ ድማ \"ካብ መሰኻኽርን ናብቲ ቦታ ከይዱ መረዳእታ ብምእካብን\" ረኺበዮ ዝበሎ ውጽኢት ዕላዊ ገይሩ። እቲ ተግባር ኣብ ክልል ኣምሓራ ፍሉይ ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ ወረዳ ደዋ ጨፋ ፍሉይ ቦታ ኣንቶሊ ከምዝተፈጸመ ብምሕባር እዋኑ ድማ ብኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ፈላማይ ሰሙን ወርሒ ታሕሳስ 2014 ከምዝነበረ ጠቒሱ። ረኺበዮ ዝበሎ መረዳእታ መሰረት ብምግባር \"ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ብኽልተ ናይ ፅዕነት መኻይን ዘምፅእዎም ኣስታት 30 'ኣባላት ኦነግ ሸኔ' ዝበልዎም ሰባት ብጃምላ ብጥይት ከምዝቐተልዎም\" ኣብ ፀብፃቡ ሓቢሩ'ሎ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነቲ ቪድዮ ድሕሪ ምርኣይ ተወሳኺ ምፅራይ፣ ምርመራ ቴክኒክን ተወሰኽቲ ምርመራታትን ከምዘካየደ ኣዘኻኺሩ። በዚ መሰረት \"እቲ ቪድዮ ነቲ በቲ ኮሚሽን ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ወግዓዊ ዝተገበረ ብዘይፍርዲ ዝተፈጸመ ዘይሕጋዊ ቅትለት ዘመላኽት ተወሳኺ መረዳእታ ከምዝኾነ ኣረጋጊፁ\" ይብል። ዝተማልአ ምፅራይ ገበን ተኻይዱ ተሓታትነት ክረጋገፅ ድማ ኣተሓሳሲቡ። ኦነግ ሸነ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መዝገብ ግብረ ሽበራዊ ዝኣተወ ጉጅለ እዩ፡፡ መንግስትን ኣካላት ጸጥታን ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ንዝፍጸሙ መጥቃዕታት ተሓታቲ ዝገብሩዎ ኦነግ ሸኔ፡ ንርእሱ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ኮይኑ ኣብቲ ከባቢ ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብዝበጽሕ መጥቃዕታት ሽሙ ብተደጋጋሚ ይለዓል። 'ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ' ንብዙሕ ዓመታት፡ ወታሃደራዊ ክንፊ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ(ኦነግ) ኮይኑ ጸኒሑ፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፡ መራሕቲ ኦነግ ናብ ኢትዮጵያ ምስኣተዉ፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (መንግስቲ ኦነግ ሸኔ ኢሉ ዝጽወዖ ዘሎ ሓይሊ) ካብቲ ውድብ ተፈልዩ፡ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከምዝቕጽል ኣፍሊጡ፡፡ ኣቦ መንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ 'ውን ፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ ሸኔ) ንሱ ከምዘይእዝዞ ዕላዊ ገይሩ ነይሩ፡፡","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyx3n6dvp2qo"} {"headline":"ኦሮምያ፡ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ብዙሓት ቀበሌታት ዞባ ጉጂ ከምዝተቖጻጸሩ ነበርቲ ገሊጾም","content":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ጉጂ ወረዳታት ኤልዳሎን ሊበንን ዕጡቓት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ብዙሓት ቀበሌታት ከምዝተቖጻጸሩን ምስ ማሕበረሰብ ዘተ ከምዘካየዱን ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም። ብሰንኪ'ቲ ዘሎ ጸገም ጸትታ ሰብሞያ'ኳ ስሩዕ ኣገልግሎት ጥዕና ክህቡ ከምዘይከኣሉ ሓቢሮም። እቶም ዕጡቓት ምስ ሕብረተሰብ ካብ ሞንጎ ዘተ ዘካየዱለን ቀበሌታት ሓንቲ ቡልቡል ዝተበሃለት ኮይና ሓደ ስሙ ክጽራሕ ዘይደለየ በዓልሞያ ሕክምና ነቲ ኩነታት ብኸምዚ ገሊጹልና። \"ንሕና ሕዚ ኣብቲ ቦታ ኣይኮንናን ዘለና። ብሰንኪ እቲ ዘሎ ጸገም ጸጥታ ሃዲምና ወጺእና ኢና። ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሓይልታት ጸጥታ እውን ወጺኦም'ዮም\"። 'ዝበዝሓ ከተማታት ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር እቶም ዕጡቓት ይርከባ' እቲ ንውሕስንኡ ክንብል ስሙ ዘይንጸርሖ በዓል ሞያ ሕክምና፡ \"ኣስታት 60 ኪሎ ሜትር ተጓዒዝና ኢና ናብ ካልእ ከተማ በጺሕና። እቶም ዕጡቓት ንነበርቲ ኣኪቦም የዘራርቡ ነይሮም። ንሕና ግን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ስለዝኾንና ምናልባት ከጥቅዑና ይኽእሉ'ዮም ብዝብል ስለዝሰጋእና ኢና ወጺእና\" ኢሉ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ወረዳ ኤልደሎ ዝነበረ ውልቀሰብ ብወገኑ፤ ኣብቲ ከባቢ መንግስታዊ ኣገልግሎታት ይወሃብ ከምዘየሎ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። መንግስታዊ ኣካላት ጸጥታ ንኹለን ቀበሌታት ገዲፎም ከምዝወጽኡ'ውን ወሲኹ ሓቢሩ። \"ብዘይካ ናይ ወረዳ ኤልደሎ ዋና ከተማ ዝበዝሓ ከተማታት ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር እቶም ዕጡቓት ይርከባ። በዚ ምኽንያት ኣብቲ ከባቢ ዝኾነ ዓይነት መንግስታዊ ኣገልግሎታት ኣይወሃብን ዘሎ። ኣብ ወረዳ ሊበን ድማ ብዘይካ ነገሌ ቦረና ካልኦት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ ኣይኮናን ዘለዋ\" ኢሉ። 'ዝተቖጻጸርዋ ቀበሌ የላን' ኣመሓዳሪ ዞባ ጉጂ ኣይተ ታደለ ኡዶ ግና፤ እቶም ዕጡቓት ኣብቲ ከባቢ ምንቅስቓስ ከምዝገብሩ ብምርግጋጽ፤ ዝኾነት ትኹን ቀበሌ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ከምዘይትርከብ ገሊጺምልና። \"ልክዕ'ዩ ሸፋቱ ሸኔ ኣብዚ ከባቢ ይንቀሳቐሱ እዮም። ብፍላይ ምስ ህወሓት ኣብ ስምምዕ ካብ ዝበጽሑ ንደሓር ብስፍሓት ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ኣለዉ። ናትና ሓይልታት ጸጥታ ዘይህልዉሉ ጊዜ ብምጽንጻን ድማ ነቲ ህዝቢ ይእክብዎ። ምናልባት ዝንቀሳቐሱሎም ቀበሌታት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም፤ ዋላ ሓንቲ ቀበሌ ግን ኣይተቖጻጸሩን\" ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ዘይህልዉሉ እዋን ብምእታው ነቲ ህዝቢ ኣኪቦም ስእልታት እናተሰኣሉ ብማሕበራዊ መራኸብታት 'ነዚ ከባቢ ተቖጻጺርና' እናበሉ ሓበሬታ ይዘርግሑ እምበር ዋላ ሓደ ዝተቖጻጸርዎ ቀበሌ ከምዘየለ ወሲኹ ተዛሪቡ። ብተዛማዲ ዜና ኣብቲ ዞባ ኣስታት 250 ነበርቲ ብሰንኪ ደርቂ ሓገዝ መግቢ ተጸበይቲ ከምዝኾኑ ተገሊጹ'ሎ። ካብዚኦም እቶም ኣስታት 50 ሽሕ ብሰንኪ ጸገም ጸጥታ ኣብ ጸገም ዝወደቑ ምዃኖም ምኽትል ኣመሓዳሪ ዞባ ጉጂ ኣይተ ተሾመ ከበደ ኣረዲኡ። \"እቲ ደርቂ ኣብ ትሸዓተ ወረዳታት'ዩ ኣጋጢሙ ነይሩ። ኣብዚ እዋን ምስ ክልል ኦሮሚያ ከምኡ'ውን ምክልኻል ሓደጋን ቅድመ ድልውነትን መንግስቲ ፌደራል ብምዝርራብ ረድኤት መግቢ ይቐረብ ኣሎ። ንሓደ መራሒ ስድራ 25 ኪሎ እኽሊ'ዩ ዝወሃብ። ዘለዎም ብዝሒ ኣባል ስድራ ኣብ ግምት ብምእታው ዝውሰኸሎም እውን ኣለዉ። ሕዚ ንሽድሽተ ወርሒ እዩ ረድኤት ዝወሃበ። ሓድሽ እኽሊ ምስመጽአ ድማ እቲ ረድኤት ክቕጽል'ዩ\" ኢሉ። ኣቶ ተሾመ ረድኤት ይቐርብ ከምዘሎ'ኳ እንተገለጸ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣብ ዞባ ጉጂ ወረዳ ኣዶላሬዴ ቀበሌ ቆላ ነባሪ ዝኾኑ ሓደ ኣቦ ሸውዓተ ቆልዑ ወላዲ ግን ዝበጽሖም ረድኤት ከምዘየለ ተዛሪቦም። \"እቲ ቀደም ደቅና ናብ ቤት ትምህርቲ ንልእኾም ዝነበርና ዘፍረናዮ ብምሻጥ ነይሩ። ሎሚ ግን ዘፍረናዮ ስለዘየለ መንግስቲ እንተዘይሓጊዙና ካብ ትምህርቲ ክተኣጓጎሉ እዮም\" ኢሎም እቶም ወላዲ። መንግስቲ ኢትዮጵያ 'ጉጅለታት ግብረ-ራዕዲ' ኢሉ ዝበየኖም፡ 'ኦነግ ሸኔ' ወይ ከኣ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞን ህወሓትን በወተሃደራዊ መስርሕ ንምትሕግጋዝ ከምዝተሰማምዑ ይዝከር።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/58260825"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ሓይልታት ትግራይን ዘራኽቦም መስመር ከፊቶም፡ ጌታቸው ረዳ","content":"ወሃቢ ቃል ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ሓይልታቶም ምስቶም ኣብ ክልል ኦሮምያ ኮይኖም ኣንጻር መንግስቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ዘለዉ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (OLA) ከም ዝተራኸቡ ንቢቢሲ ገሊጹ። ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ምርኻብ እዞም ክልተ ሓይልታት እኳ እንተገለጸ፡ ብሓባር ኮይኖም ኣንጻር መንግስቲ ይቃለሱ ኣለዉ ድዮም ግን ኣይነጸረን። ብሰኑይ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ሓርነት ኦሮም (OLA) ኩምሳ ዲሪባ [ጃል ማሮ] ክልቲኦም ሓይልታት [ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን]፡ ብርሕቀት ተቐራሪቦም ስለ ዘለዉ ኣብ ቀረባ መዓልታት ሓደ ግንባር ፈጢሮም ብሓባር ኮይኖም ከም ዝቃለሱ ኣፍሊጡ ነይሩ። ክልቲኦም እዞም ኣንጻር መንግስቲ ዝቃለሱ ዘለዉ ሓይልታት: ካብቲ 'ግብረሽበራውያን እዮም' ኢሉ ዝገልጾም መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኣዲስ ኣበባ ንምምንዛዕ ዓላማ ከም ዘለዎም ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም። ኣዛዚ ሰራዊት ሓርነት ኩምሳ ድሪባ ሓይልታቱ ኣብ ምዕራብ፣ ማእከላይን ደቡብን ኦሮምያ ብዙሓት ከተማታት ከም ዝተቆጻጸሩ ንቢቢሲ ገሊጹ። ወሲኹ፡ ሓይልታቱ ነተን ከተማታት ኣብ ዝተቖጻጸርሉ እዋን ካብ ሓይልታት መንግስቲ ብዙሕ ብድሆ ከም ዘይገጠሞምን ሰራዊት መንግስቲ ቀልጢፎም ከም ዝሃደሙን ይገልጽ። ወሃቢት ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እዚ ብሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝብሃል ዘሎ ርእይቶ ክትህብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰለጠን። እቲ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝብልዎ ዘለዉ ኸኣ ብቴሌፎንን ብኢንተርኔትን ስለ ዝኾነ ብዘይሻራዊ ኣካል ክረጋገጽ ኣይክኣለን። ኩምሳ ድሪባ፡ ሓይልታቱ ምስቶም ኣብ ቀረባ መዓልታት ስትራቴጂካዊ ከተማታት ዝተቖጻጸሩ ሓይልታት ትግራይ ሓደ ግንባር ፈጢሮም ብስምረት ክቃለሱ ምዃኖም ሓቢሩ። ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ነቲ ብሓይልታት ትግራይ ዝካየድ ቃልሲ ከም ዝድግፉ ገሊጾም ነይሮም። ኣብቲ እዋን በብዘለውዎ ግንባራት ንመንግስቲ ጸቕጢ ናይ ምፍጣር እንዘይኮይኑ፡ ኣብ ሞንጎኦም ዘሎ ራሕቂ ቦታ ኣብ ግምት ብምእታው ንኽልቲኦም ዘራኽቦም መስመር ኣብ ሓጺር እዋን ክፈጥሩ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ነገር ኣይነበረን። ሓይልታት ትግራይ፡ ነታ ኣብ 28 ሕዳር 2020 ብሰራዊት መንግስቲ ተደፊኦም ዝገደፍዋ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ዳግማይ ምስ ተቖጻጸርዋ ላዕለዋይ ኢድ ሒዞም ነቲ ኵናት ይቕልሱዎ ኣለው። ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ከኣ፡ ንዓበይቲ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ዝኾና ደሴን ኮምቦልሻን ክቆጻጸርወን ክኢሎም። ሓይልታት ትግራይ፡ ጸላእቶም ንክልሎምን ንህዝቦምን ስግኣት ናብ ዘይኮነሉ ደረጃ ንምውራድን ንዘቕረብሉ ቅድመ ኩነት ክሳብ ዝቕበል መጥቃዕታቶም ከም ዝቅጽሉ ይገልጹ። እቲ ብመንግስቲ ኦነግ ሸኔ እናተባህለ ዝጽዋዕ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ኣደራዕ፣ ኣድሉዎ፣ ጭቆናን ቅትለትን ይፍጸም ኣሎ ብምባል ንህዝቢ ኦሮሞ 'ነጻ' ከውጽእ ይቃለስ ከም ዘሎ ገሊጹ። ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልሎም ናብ ደቡብ ብምድፋእ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኸኣ ካብ ደጀኖም ንሰሜን ብምድፋእ ዘራኽቦም መስመር ከም ዝፈጠሩ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ኵናት ትግራይ ኣብዚ እዋን ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒሙ ዝበዝሐ ክፋሉ ኣብ ክልል ኣምሓራ እዩ ዝካየድ ዘሎ። መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ብወገኑ ኣብ ኩለን ከተማታቱ ሰዓታት እቶ እቶ ብምእዋጅ ድሕሪ ምሸት ስዓት ሸሞንተ [2፡00 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቓስ ከልኪሉ ኣሎ። ብዘይካ እዚ ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ፡ ኩሉ መንግስታዊ ትካላት ክዕጾን ኣብ ዝተፈላለየ ጸፍሕታት ዝርከቡ ሓለፍቲ ንህዝቢ ወዲቦምን መሪሖምን ናብ ግምባር ከምርሑ፡ እዚ ምስ ዘይገብሩ ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ክውሰዶም ምዃኑ ኣዊጁ ኣሎ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59130265"} {"headline":"ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ካብ ኲናት ሃዲሞም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጉዓዙ ሰባት ካብ ሸኖ ከይሓልፉ ተኸልኪሎም","content":"ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣትው ዝፈተኑ ሰባት ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣብ እትርከብ ከተማ ሸኖ ምሕላፍ ከም ዝተኸልኡ ተመዛበልትን ኣመሓደርቲ እቲ ከባብን ገሊጾም። እዞም ካብ ከተማታት ደቡብ ወሎ ተመዛቢሎም ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣትው ጻዕሪ ዝገበሩ ሰባት መለለዪ መንነቶም [ታሴራ] ተራእዩ ናብ ዝመጽእሉ ከባቢ ክምለሱ ከም ዝተገብረ ተዛሪቦም። ኣመሓዳሪ ወረዳ ቂምቢቢ ኣቶ ሞገስ ነጋሽ ካብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ብዙሓት ሲቪላትን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ካብቶም ኲናት ዝካየደሎም ዘለው ቦታታት ብምውጻእ በታ ወረዳ ኣቢሎም ንምሕላፍ ጻዕሪ ክገብሩ ምጽንሖም ገሊጹ። እንተኾነ መብዛሕትኦም ናብ ዝመጽእሉ ከባቢ ክምለሱ ከም ዝተገብረ ኣረጋጊጹ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ርከባት ክልል ኦሮሚያ ሃይሉ ኣዱኛ ብወገኑ እቶም ተመዛበልቲ ካብ ከተማ ሸኖ ከይሓልፉን ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይኣትውን ከም ዝተገብረ ሓቢሩ። ወረዳ ቂምቢቢ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሰሜን ሸዋ እትርከብ ኮይና ምስ ዞባ ሰሜን ሸዋ ክልል ኣምሓራ ትዋሰን። ሸኖ ድማ ዋና ከተማ እታ ወረዳ እያ። ንድሕነቱ ብዝብል ሽሙ ዘይንረቑሖ ነባሪ ኮምቦልቻ ዝኾነ ውልቀሰብ ኣብ ዝሓለፈ ቐዳም ካብታ ከተማ ወጺኡ ብሰንበት ሸኖ ከም ዝኣተወ ይዛረብ። \"ኣብ ሸኖ ዝነበሩ ፖሊስ ትራፊክ፣ ፖሊስን ፍሉይ ሓይልን ናይ ኩላትና መለለዪ መንነት እናርኣዩ 'ናይ ወሎ ዝኾንኩም ናብ ዝመጻእኹምሉ ተመለሱ፤ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣይትኣትውን' ኢሎምና\" ይብል። እዚ ውልቀሰብ ብሸኖ ኣቢሉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ ብዘይምኽኣሉ ብምንጃር ሽንኮራ ንምእታው ዝገበሮ ጻዕሪ'ውን ከም ዘይሰመረሉ ይዛረብ። \"70 ወይ 80 ዝኾና መካይን ናብ ደብረብርሃን ተመሊሰን። ሕጂ ኣብ ደብረብርሃን ኣለና\" ኢሉ። ካልእ ነባሪ ከተማ ደሴ ዝኾነ ውልቀሰብ'ውን ንከተማ ሸኖ ሓሊፉ ኣብ ለገጣፎ ምስ በጽሐ ብሓይልታት ጸጥታ ከም ዝተመልሰ ገሊጹ። \"ከም ሓደ ኢትዮጵያዊ እቲ ዘሎ ጸገም ንምሕላፍ ናብ ዝኾነ ክንኸይድ ንኽእል ኢና ኢልና ንኣምን። ግን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ዘይኾንኩም 'ተመለሱ' ኢሎምና። ደብረብርሃን ኣለኹ\" ኢሉ። ኣመሓዳሪ ወረዳ ቂም ኣቶ ሞገስ ነጋሽ፡ ካብቲ ጎንጺ ዝሃድሙ ዘለው ሰባት ወተሃደራት'ውን ከም ዝርከቡዎም ይገልጽ። ወተሃደራት ዝኾኑ ዕጥቀም ብሰራዊት ምክልኻል ክፈትሑ ብምግባር ሕክምና ዘድልዮም ናብ ሕክምና ክኸዱ፤ እቶም ዝተረፉ ድማ ናብ ክልል ኣምሓራ ክምለሱ ከም ዝተገብረ ኣረዲኡ። ሲቪላት ዝምልከት ድማ \" ልዑል ቑጽሪ ዘለዎም ሰባት'ዮም መጺኦም። ሓሙሽተ ኣባላት ዘለዉዋ ስድራቤት ተመዛቢላ መጺኣ ኣላ። ካብቲ ከባቢ ዝመጽኣ ተሽከርከርቲ'ውን ብዙሓት'የን\" ኢሉ። ኣብቲ ከባቢ ጽኑዕ ተፍትሽ ምህላው ዝጠቅስ እቲ ኣመሓዳሩ \"ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝሓልፍ መለለዪ መንነት እታ ከተማ ዘለዎ ጥራይ'ዩ። ካብዚ ወጻእ ኹሉ ናብ ዝመጽአሉ ክምለስ'ዩ\" ኢሉ። እቶም ብምኽንያት እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ዝተመዛበሉ ሰባት ብምትሕብባር ሓይልታት ጸጥታ ኦሮሚያን ፌደራልን ክምለሱ ከም ዝተገብረ እቲ ኣመሓዳሪ ሓቢሩ። ሓላፊ ቢሮ ኮምዩኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ ሃይሉ ኣዱኛ እቶም ተመዛበልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣትው እንተኾይኖም ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ምዃኖም እንተተረጋጊጹን ኣድላዪ ፍቓድ ንግዲ እንተሃልዩዎምን እዩ ኢሉ። \"ተመዛበልቲ መሲሎም ክሓልፉ ዝጽዕሩ ኣለው። . . . ዘጠራጥሩ ናይ ድሕነት ጉዳያት እንተርኢና ናብ ዝመጽኡሉ ክንመልሶም ኢና\" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59146010"} {"headline":"ኣብ ገጠራት ኢትዮጵያ መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽ ዝፅዕር ህንዳዊ መምህር","content":"ካናን ኣምባላም (ዶ\/ር ) ይበሃል። ኣብ ዩኒቨርስቲ ወለጋ ኣብ ክፍሊ ምሕደራ ህዝቢ መምህር ኮይኑ ኣብ ዞባታት ወለጋ ከምኡውን ኣብ ምዕራብ ጉጂ ኣብ ዝርከቡ ከባብታት ገጠር ምስ ዝነብር ህዝቢ ብምዃን፡ ልዕሊ 70 ድልድላትን ልዕሊ 40 ፕሮጀክት ፅሩይ ዝስተ ማይን ሰሪሑ'ዩ። ኣብ ህንዲ ማንዱራይ ካብ ትብሃል ንእሽተይ ቁሸት ዝተወለደ ካናን፡ ቅድሚ 13 ዓመታት እዩ ናብ ኢትዮጵያ መጺኡ፤ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ከም ኣባል ሓደ ስድራ እዩ ዝርእየኒ ክብል ድማ በቒዑ። ካናን፡ ኣብ ርእሰከተማ ህንዲ ኒው ዴልሂ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ጃዋሀርላል ኔህሩ፡ ብምምሕዳር ህዝቢ ሳልሳይ ዲግሪ ዝረኸበ እንትኾን፡ ኣብ ህንዲ ንኣስታት ሓደ ዓመት ስራሕ ክደልይ ፀኒሑ። ናብ ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ንምፅንባር ዝገበሮ ፃዕሪ፡ ብብርኪ ሃገር ንዝወሃብ መመዘኒ ብዘይምሕላፉ፡ ስራሕ ኣብ ዝደልየሉ እዋን ኣብ ክልል ኦሮምያ ምስ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ተራኺቡ። ኣብዚ ዩኒቨርሲቲ ስራሕ ረኺቡ ናብ ኢትዮጵያ ንምኻድ ከምዝሓሰበ ንስድርኡ እንትነግሮም ግና፡ ዝበዝሕ ሰብ፡ 'ብኸመይ ኵናት ናብ ዘይጠፍኣሉ ኣፍሪቃ ትኸድ?' ብምባል ናብ ዘይፈልጦ ሃገር ከይኸድ ምዒደሞ፤ ግና ኣይተቐበሎምን። \"ምስ በፃሕኩ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝርከቡ መምህራንን ካልኦትን ፅቡቕ ኣቀባብላ ጌሮምለይ። ኩሉ ሰብ ዝደልዮ ነገር እንተልዩ ይሓተኒ። ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ'ውን ቀልጢፉ'ዩ ተቐቢሉኒ\" ይብል። ካናን ዘምረሐሉ ከባቢ ዋላ'ኳ ብተፈጥሮ ዝተዓደለ እንተኾነ፡ ሕፅረት ፅሩይ ዝስተ ማይን መሰረታዊ ዝበሃሉ ድልድላት ስለዘይነበሮ፡ እዚኦም ንሂወት እቲ ማሕበረሰብ ይብድሁ ዘለዉ ፀገማት ምዃኖም ንምስትብሃል ግዘ ኣይወሰደሉን። \"ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ብምምሕዳር ህዝብን ክፍሊ ኣመራርሓ ልምዓትን ብካልኣይ ዲግሪ ትምህርቲ ንምሃብ ምስተለመ፡ ተምሃሮ ተንቀሳቒሶም ናይቲ ህዝቢ ፀገም ንከፅንዑ ጌርና። ምስቶም ተምሃሮ ተጓዒዝና እቲ ማሕበረሰብ ብጣዕሚ ዘድልይዎ ነገራት እንታይ'ዮም ኣብ ዝብል ሓበሬታ ኣኪብና\" ይብል። ሓደ መዓልቲ ምስ ተምሃርኡ ናብ ከባቢ ገጠር ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ኣብ ጥቃ ንእሽተይ ሩባ ዝነብራ ሓንቲ ኣደ፡ ኣቕሓ ተሸኪመን ንምስጋር እንክፍትና ተዓዚቡ። እቲ ማይ እናደፍአንን ጭቃ ሸተት እናበለንን ብጣዕሚ ተፀጊመን ነቲ ሩባ ይሰግርኦ። \"ሻቡ ንተምሃሮይ እዚ ፀገም እኮ ብቐሊሉ ክፍታሕ ዝኽእል'ዩ ኢለዮም። ንሳቶም ግና ኣብ ፈለማ ብጣዕሚ ከቢድ ክኸውን ከምዝኽእልን ብዙሕ ገንዘብ ከምዘድልን ነጊሮምኒ\" ይብል። እንተኾነ ተምሃርኡ ንተወሳኺ ግዘ ኣብቲ ከባቢ ክፀንሑን ክንዲ ዝኸኣልዎ ዕንፀይቲ ክእክቡን ነጊርዎም፤ ሻቡ ንሻቡ ድማ በቲ ዝተኣከበ ዕንፀይቲ ንእሽተይ ድልድል ሃኒፁ። ህዝቢ እቲ ከባቢ'ውን ኣብ ህንፀት እቲ ድልድል ሓጊዝዎ። ኣብቲ ከባቢ ዝነበሮም ፃንሒት ምስ ወድኡ ከኣ፡ ነቲ ድልድል ብኸመይ ምምሕያሽ ከምዝከኣል፣ ኣብቲ ከባቢ ካልኦት ተመሳሳሊ ድልድል ዘድልዮም ከባብታት ከምዘለዉን እቲ ማሕበረሰብ ብኸመይ ምስታፍ ከምዝከኣልን ምስተምሃርኡ ዘትዩ። ካናን፡ ድሕሪ እዚ ምስ ተምሃርኡ ኣብ ዞባታት ወለጋን ምዕራብ ጉጂን ብምብፃሕ 76 ድልድላት ሃኒፁ። ከም ኣጋጣሚ ሓንቲ ኣደ ሩባ ንምስጋር ዘጋጠመን ፈተና ብምርኣይ ዝተጀመረ እዚ ስራሕ፡ ብዙሓት ንምርኻብ ኣኽኢሉ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝርከቡ ነበርቲ፡ ብኸመይ ድልድላት ምስራሕ ከምዝከኣልን እንክበላሸዉ ብኸመይ ምፅጋን ከምዝከኣልን ኣምሂሩ'ዩ። ኣብ መፈለምታ ከባቢ ድማ ረብሓ እቶም ድልድላት ዝረኣዩ ነበርቲ ካልኦት ከባብታት፡ ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ብምምፃእ፡ ካናን ድልድላት ክሃንፀሎምን ኣሰራርሕኡ ከርእዮምን ይሓቱ ኔሮም። እቶም ዝስርሑ ድልድላት 34 ሜትር ንውሓትን 4 ሜትር ስፍሓትን ዘለዎም እንትኾኑ፡ ኣገልግሎት ምሃብ ምስጀመሩ፡ ነበርቲ እተን ከባብታት፡ ደቆም ብእዋኑ ናብ ቤት ትምህርቲ ንምብፃሕን ናብ ጣብያ ጥዕና ንምኻድን፡ ካብ ካልእ እዋን ዝቐለለ ከምዝኾነ ኣስተውዒሎም። እቶም ፈለማ ዝተሰርሑ ድልድላት ካብ ዕንፀይቲ ጥራሕ ዝተሰርሑ ብምንባሮም፡ ኣብ ከይዲ ብዝናብን ንፋስን ምብልሻው እንክጅምሩ፡ ነቶም ድልድላት ዝሐሸ ድጋፍን ምንፃፍን ክሃንፅ ጀሚሩ። ነዚ ድማ ስሚንቶ ብምጥቃም ፅኑዕ ድጋፍ ክህልዎም ብምግባር፡ ንነዊሕ እዋን ከገልግሉ ኣኽኢሉ። ነቶም ድልድላት ንምህናፅ፡ ሲሚንቶ፣ መደገፊ ዝኾን ሓፂን ወይ ጣውላ ካብ ዕዳጋ'ዮም ዝዕደጉ፤ ከም ሑጻ፣ ዕንፀይትን ገመድን ብቐንዱ ድማ ሓይሊ ሰብ፡ ካብቲ ነባሪ ዝርከብ ምዃኑ ወፃኢ ነክይሉ'ዩ። ካናን፡ \"ኣብ ፕሮጀክትና ሰለስተ ቀንዲ ነገራት ከምዘሳኻዕና ንከታተል። እቲ ፈላማይ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ዝኾነ ዓይነት ሃፍቲ ብግቡእ ምጥቃምና፣ ካልኣይ ብጣዕሚ ቀሊል ምህዞ ምዃኑን እቲ ሕብረተሰብ ብቐሊሉ ክሰርሖ ዝኽእልን መናእሰይ ዘሳትፍ ምዃኑን፣ ሳልሳይ ድማ ትሑት ወፃኢ ዝጠልብ ምዃኑ ንከታተል\" ይብል። ካናን ኣብቲ ከባቢ እንትንቀሳቐስ ፀገም ድልድል ጥራሕ ኣይኮነን ተዓዚቡ፤ እቲ ህዝቢ ፅሩይ ዝስተ ማይ ዝረኽበሉ ዕድል ከምዘይብሉ ምስዝርዳእ፡ ነዚ ፀገም ዝፈትሐሉ መገዲ ከናድይ ጀሚሩ። \"ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝኸደሉ መገዲ ሰባት ብየማንን ፀጋምን ዝፈስስ ማይ ክቀድሑ፡ ከምኡ'ውን ረሳሕ ማይ ዝሰትዩ ሰባት ተዓዚበ። ቀሪበ ንምንታይ ኢኹም ረሳሕ ማይ ትሰትዩ ኢለ እንትሓቶም፡ ካልእ ምንጪ ፅሩይ ዝስተ ማይ ከምዘይብሎም ነጊሮምኒ። እዚ ምስ ረኣኹ ድማ ሕዚ'ውን ምስ ተምሃሮይ ብምዃን ንምንታይ ቀሊል መፃረይ ማይ ዘይንሰርሐሎም ኢለ ሓሲበ\" ይብል። ተፈጥርኣዊ ብዝኾነ መገዲ፡ ማይ ዘፃርይሉ መገዲ መነባብሮ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ከቕልሎ ምስጀመረ፡ ነበርቲ ካልኦት ከባብታት'ውን መፃረይ ማይ ክሰርሐሎምን መሃረና ኢሎም ክሓቱ ጀሚሮም። ሑጻ፣ ፀፀር፣ ፈሓምን ካልኦት ነገራትን ብቐሊሉ ብምጥቃም ዝሰርሖ ቁፅሪ መፃረይ ማይ ሕዚ 43 በፂሑ ኣሎ። ነዚ ንምስራሕ ህዝቢ እቲ ከባቢ'ውን ዝተሳተፈ እንትኾን፡ \"እዚ ትኽክለኛ መርኣያ ምምሕዳር ልምዓትን ህዝብን እዩ\" ይብል ካናን። ካናን ኣምባላም (ዶ\/ር) ኣብ ዞባታት ወለጋን ምዕራብ ጉጂን ናይ ዝነብር ህዝቢ ህይወት ንምቕያር ብዝገበሮ ፃዕሪ፡ ካብ ሚኒስትር ሳይንስን ላዕለዋይ ትካላት ትምህርትን ኢትዮጵያ ሽልማት ሜዳልያ ወርቅን ናይ ኣፍልጦ ምስክር ወረቐትን ተበርኪትሉ'ዩ። እቲ ሚኒስትር፡ ካናንን ተምሃርኡን ከምኡ'ውን ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ተዋዲዶም ንዝዓመምዎ ስራሕ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ንካልኦት ፕሮጀክታት ንምድጋፍ ዝውዕል 25 ሽሕ ብር ብመልክዕ ሽልማት ሂቡ እዩ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወለጋ መምህር ምምሕዳር ህዝብን ኣመራርሓ ልምዓትን ዝኾነ ካናን፡ ምናልባት ቅድሚ ሕዚ ፍልጠት ምህንድስና ወይ ህንፀት ይነብሮ'ዶ ይኸውን ዝብል ሕቶ ምልዓሉ ኣይተርፍን። ንሱ ግና ቅድሚ ሕዚ ዝኾነ ዓይነት ልምዲ ከምዘይነበሮን ኣብ ከይዲ ዝተምሃሮን ከምዝኾነ እዩ ዝገልፅ። \"ኣብ ህንዲ ከለኹ ኣብ ከምዚ ዝበለ ስራሕቲ ብቐጥታ እኳ እንተዘይተሳተፍኩ፡ ኣብ በብከባቢኡ ስራሕቲ ልምዓት ክሰርሑ ተዓዚበ እየ። ናብ ወለጋ ምስመፃእኹ ድማ፡ ድልድል ብኸመይ ብቀሊሉ ምስራሕ ከምዝከኣል ናይ ባዕለይ ምርምር ጌረ። ብዙሓት ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ብምርኣይ ድማ ነዚ ሓሳብ እዚ ኣምፂአ\" ይብል።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59413146"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ምስ ቅትለት ኣባላት ኣባገዳ ከረዩ - ኦሮሚያ ብዝተሓሓዝ ክልተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ተባሂሉ","content":"ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ ምስ ቅትለት ኣባላት ኣባገዳ ብዝተሓሓዝ ክልተ ተጠርጠርቲ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ኣፍሊጡ። ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ምኽትል ኮሚሽነር ግርማ ገላን ትማሊ ሓሙስ [02\/03\/2022] ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ኣባገዳን ካልኦትን ብዝተሓሓዝ ክልተ ተጠርጠርቲ ኣብ ቀይዲ ምውዓሎም ሓቢሩ። ኣብ መዛዘሚ ወርሒ ሕዳር ኣባ ገዳ ከረዩ ዝርከብዎም 14 ኣባላት ገዳ ብኣካላት ጸጥታ ከምዝተቐተሉ ነበርቲ እቲ ከባቢ ተዛሪቦም ምንባሮም ይዝከር። ኣብቲ ጉዳይ ምጽራይ ከካይድ ዝጸንሐ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን ንውጽኢት ምርመርኡ ወግዓዊ ክገብር ከሎ፡ እቶም ኣባላት ኣባገዳ ከረዩ ብኣካላት ጸጥታ መንግስቲ ከምዝተቐተሉ ኣቃሊዑ’ሎ። እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘቕረቦ ምኽረ-ሓሳብ፡ ኣብቲ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝተፈጸመ ቅትለት ዝተሳተፉ ኣካላት ብሕጊ ክሕተቱ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ። ምክትል ኮሚሽነር ግራማ ገላን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም በቲ ቕትለት ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ሰባት ኣባላት ፖሊስ እቲ ክልል ድዮም ወይስ ካልኦት ኣካላት ኣብ ዝብል ዘነጸሮ ነገር የለን። ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ንጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ተቐቢልዎ’ዶ ኣይተቐበሎን? ኣብ ዝብል ከምኡ’ውን እቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ጠርጠርቲ ነቲ ጸብጻብ ስዒቡ ድዩ? ኣብ ዝብሉ ዝገለጾ ነገር ኣይነበረን። ኣብቲ ገበን ቅትለት ተሳትፎ ዝገበረ “ዝኾነ ይኹን ኣካል ናብ ፍርዲ ክቐርብ እዩ” ብምባል፡ መስርሕ ምጽራይ ገበን ምስተዛዘመ ድማ ውጽኢቱ ናብ ህዝቢ ወግዓዊ ከምዝግበር ገሊጹ። ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ? ኣባላት ኣባ ገዳ ከረዩ ካብ ሕጊ ወጻኢ ብሓይልታት ጸጥታ ክልል ኦሮምያ ከምዝተቐተሉ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ) ድሕሪ ዘካየዶ ምርመራ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ ነይሩ፡፡ እቲ ኮምሽን ነቲ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ዝተፈጸመ ቅትለት ኣመልኪቱ ኣብ ዘካየዶ ምርመራ፡ ቅድሚ ቅትለት እቶም ባህላዊ መራሕቲ ኣብቲ ከባቢ ብዙሓት አባላት ፍሉይ ሓይልን መደበኛ ፖሊስን ብዕጡቓት ከምዝቐተሉ ኣመልኪቱ፡፡ እቶም ሰባት ኣመልኪቱ ኣብ ዝኣከቦ ሓበሬታን ዝረኸቦ መረዳእታን ተመርኲሱ፡ እቶም 14 ኣባላት ገዳ ከረዩ ሚችሌ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት መንግስቲ ምስወዓሉ ብሓይሊ ናብ ጫካ ተወሲዶም ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ዝተረኸቡሉ ብጭካነ ተቐቲሎም ኢሉ፡፡ በዚ መሰረት እቲ ቅትለት ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝተፈጸመን ዘይምኽንያታውን ምዃኑ እቲ ኮምሽን ኣብ ጸብጻቡ ሓቢሩ፡፡ ቅትለት ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ እቶም ኣባላት ገዳ ቅድሚ ምሟቶም ሓደ መዓልቲ፡ ማለት እውን ብኣቆጻጽራ ግእዝ 21 ሕዳር 2014 ዓ\/ም ካብ ክልል፣ ዞባን ወረዳ ፈንታሌን ዝተዋጽኡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ዝፈላለየ ቀበሌታት ወረዳ ፈንታሌ ምብጻሕን ዘተን ገይሮም ነይሮም፡፡ ድሕሪ እቲ ዋዕላ እቶም ሓይልታት ጸጥታ ናብ ዝመጽዎ እንትምለሱ፡ ኣብ መንገዲ መንነቶም ካብ ዘይተፈለጠ ዕጡቓት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 11 ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኦሮምያ ክቅተሉ እንከለዉ ኣብ ካልኦት 9 ኣባላት ጉድኣት ከምዝበጸሐ ጸብጻብ እቲ ኮምሽን የመልክት፡፡ ድሕሪኡእንታይተፈጢሩ? እቶም 11 ኣባላት ፖሊስ ኦሮምያ ምስተቐተሉ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ፡ 22 ሕዳር 2014 ዓ\/ም ቀትሪ፡ ካብ 100 ዘይውሕዱ ናይ ፍሉይ ሓይልን መደበኛ ፖሊስን ክዳን ዝተኸደኑ ኣባላት ጸጥታ ናብቲ ኣባላት ኣባገዳ ዝሰፈሩሉ ከባቢ ከምዝመጽኡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ነቲ ኮምሽን ገሊጾም፡፡ እቶም ኣባላት ፖሊስ ኣብቲ ከባቢ ምስበጽሑ ገዛ ገዛ እናዘሩ ኣብቲ ከባቢ ንዝነበሩ 39 ደቂ ተባዕትዮ ኣባላት ገዳ ዕጥቆም ኣፍቲሖም ናብ ሓደ ቦታ ከምዝኣከቡዎም እቶም ነበርቲ ነቲ መርማሪ ጉጅለ ተዛሪቦም፡፡ ድሕሪ እዚ ኣባ ገዳ ከድር ሓዊሱ ብስም ዝተጠቐሱ 14 ሰባት ብከብዶም ምስደቀሱ ከምዝተቐተሉን ክልተ ሰባት ግና ተሲኦም ናብቲ ጫካ ብምእታው ሃዲሞም ከምዘምለጡን ምግላጾም ኢሰመኮ ይሕብር፡፡ እቶም ኣባ ገዳታት ከምዝተቐተሉ ዝሰምዑ ኣባላት ስድረኦም ኣብቲ ዝቕጽል መዓልቲ 23 ሕዳር፡ ወጋሕታ ኣስከሬን ከልዕሉ ናብቲ ቦታ ዝኸዱ ኮይኖም ‘ሬሳ ኣይተልዕሉን’ ተባሂሎም ከምዝተኸልከሉን ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ 24 ሕዳር ክቕበሩ ከምዝተገበረን ስድራ እቶም ግዳያት ንኢሰመኮ ገሊጾም፡፡ እቶም ኣብ ካልእ ጉጅለ ዝነበሩ 23 ሰባት ንኽልተ ሰሙን ሃለዋቶም ተሳኢኑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብኣቶም ሓደ ዝነበረ ጅሎ ቦሬ ዝተባህለ ኣባል ጅላ ህይወቱ ሓሊፉ፡ ኣስከሬኑ ኣብ ከተማ ሞጆ ካብ ዝርከብ ቀጽሪ ፍሉይ ሓይሊ ኦሮምያ ንቤተሰቡ ከምዝተውሃበን ኣብ ርእሱ መድመይትን ኣብ ሰብነቱ ናይ መውቃዕቲ በሰላታትን ከምዝተረኸቦ ኢሰመኮ ኣብ ጸብጻቡ ጠቒሱ፡፡ ምላሽ መንግስቲ መንግስቲ እቲ ክልልን ነቲ ክልል ዝመርሕ ውድብ ብልጽግናን ብቕትለት እቶም ኣባላት ገዳ ዝሕተት ኦነግ ሸነ ከምዝኾነ እዮም ክገልጹ ጸኒሖም፡፡ ኢሰመኮ እቲ ቕትለት ተፈጺሙሉ ኣብ ዝተባህለ ወረዳ ቦሰት ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን፡፡ ብተወሳኺ ኮምሽን ፖሊስ እቲ ክልልን ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ እቲ ክልልን ብዛዕባ እቲ ቅትለት ምላሽ ክህቡ ካብ ኢሰመኮ ንዝቐረበሎም ደብዳበ መልሲ ኣይሃቡን፡፡","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60256353"} {"headline":"ኦሮሚያ፡ ኩምሳ ድሪባ ብዛዕባ ምስ ሓይልታት ትግራይ ዝተበጽሐ ስምምዕ እንታይ ይብል?","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ግብረ-ሽበራውያን ኢሉ ዝጽውዖም ህወሓትን ንርእሱ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ዕጡቕ ሓይልን ኣንጻር መንግስቲ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ንምግባር ከም ዝተሰማምዑ ወግዓዊ ገይሮም'ዮም። ክልቲኦም ወገናት ቅድም ኢሉ ምስ ዝነበሮም ቅርሕንቲ ሕጂ ዝህልዎም ምትእምማን \"ግዜ ዝፈትሖን ዘብርሆን'ዩ\" ክብል ኣዛዚ ሰራዊት እቲ ግንባር ኩምሳ ድሪባ ምላሽ ሂቡሉ። ንሱ፡ ጃል መሮ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ኮይኑ ቅድም ኢሉ ኣዛዚ ሓይሊ ምዕራብ ዝነበረን ኣብ ቀረባ ድማ መራሒ ሰራዊት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ዝኾነን'ዩ። መንግስቲ ነዚ ግንባር 'ኦነግ ሸኔ' ኢሉ'ዩ ዝጽውዖ። ኩምሳ ድሪባ፡ \"ክልቲአና ሓበራዊ ጸላኢ ስለ ዘለና ኣብ ወተሃደራዊ ጉዳያት ንምትሕግጋዝ ተሰማሚዕና ኣለና\" ኢሉ። ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባትን ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ብዝፍጸም ቕትለት መንግስቲ ነዚ ጉጅለ ተሓታቲ ክገብሮ ጸኒሑ'ዩ። ምስ ህወሓት'ውን ብሓባር ይሰርሕ'ዩ እናተባህለ ብተደጋጋሚ ክኽሰስ ጸኒሑ። እንተኾነ፡ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ እቶም ዝቐርብሉ ክስታት ክነጽጎም'ዩ ጸኒሑ፤ ምስ ህወሓት'ውን ዝኾነ ዓይነት ርክብ ከም ዘይነበሮ ይገልጽ። ስርዓት ደርጊ ምስ ወደቐ ናይ ስግግር መንግስቲ ካብ ሞንጎ ዘጣየሱ ሓይልታት ሓደ ዝነበረ ኦነግ፡ ልፍንቲ ኢህወደግ ብዘሕድረሉ ዝነበረ ጸቕጢ ካብ ፖለቲካዊ መድረኽ ተደፊኡ ብምውጻእ መራሕቱ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስደት ኮይኖም ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይዱ ከም ዝጸንሑ ይፍለጥ። ኩምሳ ድሪባ፡ ቅድም ክብል ብዛዕባ ምስ ህወሓት ዝነበሮ ርክብ ክገልጽ እንከሎ \"ህዝቢ ኦሮሞ ምስ ህወሓት ዝነበሮ ርክብ ግልጺ'ዩ፤ ህወሓት ኣብ ስልጣን እናሃለወ ህዝቢ ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ'ዩ\" ክብል ንቢቢሲ ኣብሪሁ። \"ይኹን'ምበር በቲ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ህወሓት ካብ ስልጣን ምስ ተኣለየ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መልክዑ ካልእ መስዋእትነት ዘኽፍል ንመንነቱ ዘትሕት ኩነታት ገጢሙዎ\" ኢሉ። በዚ ምኽንያት እቲ ዝመርሖ ሰራዊት ምስ ህወሓት ወተሃደራዊ ምትሕብባር ብምግባር ክቃለስ ከም ዝተሰማምዐ ኣመልኪቱ። ቅድሚ ሓደ ዓመት እቲ ዝመርሖ ሓይሊ ምስ ህወሓት ብምትሕብባር መጥቃዕታት ከም ዝፍኑን ዝተፈላለዩ ድጋፋት ከም ዝግበረሉን ዝምልከት ቢቢሲ ኣብ ዘቕረበሉ ሕቶ ነጺጉዎ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ \"ቃልሲ ህዝቢ ኦሮሞ ምስ ዝድግፉ ኣካላት ብሓባር ክንሰርሕ ንኽእል ኢና፤ መሰልና እዩ። ዋላ'ውን ሰይጣን - ንህዝቢ ኦሮሞ ናጻ ዘውጽኦ እንተኾነ ብሓባር ክንሰርሕ ንኽእል ኢና። ምስ ህወሓት ግን ሓቢርና ክንሰርሕ ኣይንኽእልን። ብዙሕ ቑስሊ ስለ ዘለና ፈጺሙ ሓቢርና ክንሰርሕ ኣይንኽእልን\" ኢሉ ነይሩ። ሕጂ እቲ ሰራዊት ዘርኣዮ ናይ መርገጺ ለውጢ ኣመልኪትና ሓቲትናዮ። \"ኣብዚ ውሳነ ምብጻሕ ቀሊል ኣይነበረን፤ ህዝቢ ኦሮሞ በሰላ ኣለዎ፤ ስለዚ ግዜ ወሲድና ዘቲናሉ። ጸገምና ክፈትሕ ብዝኽእል መልክዑን ረብሓ ህዝቢ ኦሮሞ ብዘየጉድልን ኩነታት ምስ ህወሓት ዘለና ሓበራዊ ጸላኢ ንምውዳቕ ኣብ ወተሃደራዊ ጉዳያት ብሓባር ንክንሰርሕ ተሰማሚዕና ኣለና\" ኢሉ። ቅድሚ ሕጂ ዝኾነ ዓይነት ርክብ ከም ዘይነበሮም ብምግላጽ \"ሕጂ ይኹን ጽባሕን ካብኦም እንደልዮ ድጋፍ የለን። ይኹን'ምበር ኣብ ውሽጢ ፖለቲካ ጸወታ ኣሎ። ኣብ ፖለቲካ ቂምታ ዘይትሕዘሉ ግዜ ኣሎ። ቐዋሚ ጸላእን ፈታውን የለን፤ እቲ ግዜ ምርኣይን ምስቲ ግዜ ሓቢርካ ምጉዓዝን የድሊ\" ኢሉ። ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ወገናት ምትእምማን ክህሉ ድዩ ዝብል ሕቶ ቢቢሲ ኣቕሪብሉ። \"እዚ ግዜ ዝፈትሖን ዘብርሆን'ዩ\" ክብል ምላሽ ሂቡሉ። ብተወሳኺ፡ ሕጂ ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ኦነግን ዘሎ ምትፍናን ከምቲ ኣብ 1980ታት ዝነበረ ዝመሳሰል ዘይክኸውን ይኽእል'ዩ ብምባል \"ሕጂ ዘሎ ፖለቲካዊ ንቕሓት ኦሮሞ ኣብቲ እዋን ካብ ዝነበረ ዝተፈለየ'ዩ። ህወሓት ዝገብሮ ዘሎ ቓልሲ'ውን ካብቲ ግዜ ዝተፈለየ'ዩ\" ኢሉ። ስለዚ ምትሕብባር ክልቲኦም ወገናት \"ግዜ ዝፈትሖ ነገር'ኳ እንተኾነ እቲ ሕጂ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ግን ኣብ ክንዲ ብማዕዶ ቐሪብካ ምስራሕ ይሓይሽ ኢልና ኢና ወሲንና\" ክብል ኣብሪሁ። ኣብዚ ስምምዕ ንምብጻሕ ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ክዘራረቡ ከም ዝጸንሑ ዝገልጽ ኩምሳ፡ እቲ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ንቕድሚ ናብ ፖለቲካዊ ምሕዝነት ንክዓቢ ይዝተየሉ ምህላው ኣመልኪቱ። እቲ ዝበሃል ዘሎ ወተሃደራዊ ስምምዕ ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ መንግስቲ ህወሓት ንኦነግ ሸኔ ብስልጠናን ኣጽዋርን ሓገዝ ይገብረሉ እዩ ዝብሎ ኣመልኪቱ ግን \"እዚ ሓሶት'ዩ፤ ሎሚ'ኳ ኣብ ደረጃ እቲ ዝብሃል ዘሎ ኣይበጻሕናን\" ኢሉ። ኣብታ ሃገር ዘለው ጸገማት ብሰላማዊ መድረኽ ዘተ ንክፍታሕ ዝቐርቡ ዘለው ጻውዒታት ዝምልከት እንታይ ርኢይቶ ኣለካ ተባሂሉ ዝተሓተተ ኩምሳ ድሪባ፡ \"ረብሓ ህዝቢ ኦሮሞ ብዝሕሉ ኣገባብ ዝካየድ ሰላማዊ ዘተ ንቕበል ኢና፤ እንተኾነ እዚ ግዝኡ ዝሓለፎ ይመስል። መንግስቲ'ውን ድልየት ዘለዎ ኣይመስለንን\" ኢሉ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኦሮሚያ ዝገብሩዎ ዘለው ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ድማ ህዝቢ ኦሮሞ ካብ ጭቆና ተናጊፉ መሰል ርእሰ-ውሳንኡ ንከረጋግጽ ዝዓለመ'ዩ ክብል ገሊጹ። ምስ ሮይተርስ ብስልኪ ቃለ-መሕተት ዝገበረ ዶ\/ር ደብረጽዮን ብወገኑ ምስቲ ጉጅለ ዝርርብ ይካየድ ከም ዘሎ'ኳ እንተረጋገጸ ተወሳኺ መብርሂ ግን ኣይሃበን፡፡ ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ'ውን ብወገኑ ''ኣብ ዝኾነ ሓደ ስምምዕ'' ንምብጻሕ ስራሓት እናተሰርሑ ነይሮም ክብል ንሮይተርስ ገሊጹ፡፡ ብተወሳኺ ''ኣብ ቀጻሊ ዕጫ ኢትዮጵያ ብጽሒት ምስዘለዎም ኣካላት ሓቢርካ ምስራሕ ምንም ሓድሽ ነገር የብሉን'' ክብል ተዛሪቡ፡፡ ኣፈኛ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ቢለኔ ስዮም ብኢሜይል ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ ህወሓትን ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞን ብፓርላማ እታ ሃገር ግብረ ሽበራውያን ተባሎም ከም ዝተበየኑ ካብ ምግላጽ ወጻኢ ዝርዝር መብርሂ ከም ዘይሃበት ሮይተርስ ጸብጺቡ፡፡","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/58187702"} {"headline":"ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኣብ ምርጫ ንምስታፍ መራሕቱ ክፍትሑ ሓቲቱ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ቀንዲ ካብ ዝበሃሉ ፖለቲካዊ ውድባት ሓደ ዝኾነ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ (ኦፌኮ) ንኣዋርሕ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ መራሕቱ ንኽፍትሑ ናብ መንግስቲ ጻውዒት ኣቕሪቡ። እቲ ፓርቲ፡ ኣብቲ ድሕሪ ኣዋርሕ ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ ሃገራዊ ምርጫ ዝህልዎ ተሳትፎ፡ እቶም ዝተኣሰሩ መራሕቱ እንተዘይሃልዮም ከም ዘጸግመሉ ብምግላጽ’ዩ ነዚ ጻውዒት ዘቕረበ። ብተወሳኺ’ውን ብመንግስቲ ዝተዓጸዉ ኣብያተ ጽሕፈቱ ክኽፈቱሉ ኣብቲ ትማሊ ዘውጽኦ መግለጺ ዝሓተተ ኦፌኮ፡ ቅድሚ መረጻ ንዝግበር ጎስጓስ ኣብ ምሉእ ሃገር ብናጽነት ናይ ምንቅስቓስ መሰሉ ክሕለወሉ ተማሕጺኑ። ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሑ ነሓሰ ንኽካየድ ተወሲኑ እንተነበረ’ኳ ስግኣት ኮሮናቫይረስ ከም ምኽንያት ብምቕራብ ኣብዚ ዓመት ግን ድማ መዓልቱ ናብ ዘይተነጸረ ጊዜ ተሰጋጊሩ። ምኽትል ኣቦ መንበር እቲ ፓርቲ ኣይተ በቀለ ገርባን ፍሉጥ ፖለቲከኛን ኣባልን ኣይተ ጃዋር መሓመድን ዝርከብዎም መሪሕነት ንኣዋርሕ ኣብ ማእሰርቲ ይርከቡ። ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተኣሰሩሉን ብተደጋጋሚ ናብ ቤት ፍርዲ ዝመላለሱሉን ምኽንያት ከኣ ምስቲ ብድሕሪ ቅትለት ተወላዲ ኦሮሞ ዝኾነ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝተሓሓዝ ብዝተወለዐ ናዕቢ ምዃኑ ይፍለጥ። ክስታቶም ከኣ ምስ ሽበራ ዝተሓሓዙ ኮይኖም ኣለዉ። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ተቓወምቲ ውድባትን መራሕቲ ሲቪካዊ ማሕበራትን ብምርኻብ ኣብ ውጥናት እቲ መረጻ ዘትዩ ነይሩ። መንግስቱ ነጻን ፍትሓውን ምርጫ ንኽካየድ ድሉው ከም ዝኾነ ድማ ተመባጺዑ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55255919"} {"headline":"ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ምንዋሕ መዓልቲ ምርጫ ፈጢርዎ ዘሎ ስግኣት","content":"ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ክካየድ ዝተሓሰበ ሃገራዊ ምርጫ ምንውሑ ኣብታ ሃገር ተወሳኺ ፖሎቲካዊ ምጉህሃር ከይፈጥር ኣስጊኡ ኣሎ። ኣካቢት ቦርድ ኮምሽን ምርጫ ኢትዮጵያ ብርቱኳን ሚደቅሳ ብቀዳም ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ብምርኻብ ኣብ ምምዝጋብ መርጽቲ፡ ምልመላ ኣፈጸምቲ እቲ ምርጫን ምሕታም መድመጺ ወረቐትን ኣጋጢምዎም ዘሎ ብድሆታት ገሊጻ። ንሳ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ምርጫ ከምቲ ዝተወጠኖ ኣብ 5 ሰነ ክጅምር ከምዘይክእልን ምናልባት ንኽልተ ክሳብ ሰለስተ ሰምንታት ክናዋሕ ከምዝኽእልን እያ ገሊጻ። እቲ ምርጫ ከምቲ ግቡእ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ ክካየድ እኳ እንተነበሮ ብሰንኪ ስግኣት ለበዳ ኮሮናቫይረስ እዩ ንኣስታት ሓደ ዓመት ተናዊሑ ጸኒሑ። ኣብቲ ብቦርድ ምርጫ እታ ሃገር ዝተጸወዐ ኣኼባ፡ እቶም ሰብ መዚ እቲ ቦርድ ምርጫ፡ ኣብ ምምዝጋብ መረጽትን ምክፋፍል ናውቲ ምርጫን ሎጂስቲካዊ ጸገማት የጋጥሞም ከምዘሎ እዮም ንወከልቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ገሊጸምሎም። ገለ ካብቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ወከልቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታት'ውን መንግስቲ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብዝተፈላለየ ወተሃደራዊ ረጽምታት ተወጢሩ ስለዘሎ ነቲ ጸጥታ እቲ ምርጫ ኣብ ምርግጋጽ ከጸግሞ ከምዝኽእል ሓሳቦም ኣካፊሎም። ኣብ መላእ ኣታ ሃገር ዘሎ ግጭታት'ውን ናውቲ መርጫ ካብን ናብን ኣብ ምንቅስቃስ ኣጸጋሚ ገይርዎ ከምዘሎ ይግለጽ። ኣብ ዝበዝሐ ክፋል ኢትዮጵያ ክረምቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ብምጅማር ክሳብ ወርሒ ሓምለን ነሓሰን ስለዝቅጽል ኣብ መስርሕ ድምጺ ምሃብ ዓቢ ዕንቅፋት ክፈጥር ክምዝክል ብምጥቃስ እቲ ምርጫ እንተተናዊሑ ብፍላይ ኣብ ገጠራት ድምጺ ምሃብ ኣዝዩ ከሸግር ከምዝክእል'ውን ርእይቶ ዝሃቡ ነይሮም'ዮም። እቲ ምርጫ ናብ ወርሒ መስከረም ይናዋሕ ዝበሉ'ውን ነይሮም እዮም። እንተኾነ ኣብ ወርሒ መስከረም እቲ ሓዲሽ ዝምረጽ መንግስቲ ቤት ጽሕፈት ክርከብ ስለዘለዎ ናብ ወርሒ መስከረም ምንውሑ ኣብ እትዮጵያ ተወሳኺ ፖለቲካዊ ነውጺ ክፈጥር ከምዝክእል ከይተሓለመ ፍቱሕ እዩ ዝበሉ ነይሮም። እቲ ቦርድ ምርጫ ንክልተ ክሳብ ሰለስተ ሳምንታት እቲ ምርጫ ክናዋሕ ከምዝኽእል ምስ ገለጸ ብዙሕ ግብረ መልስታት እዩ ዝውሃብ ዘሎ፡ ገለ ኸኣ እቲ ቦርድ ምርጫ ኣብ ውሽጡ ክልተ ሰለስተ ሳምንታት እንታይ 'ተኣምር' ክፈጥር ስለዝክእል እዩ ዘናውሖ ዘሎ ዝበሉ'ውን ኣይተሳኣኑን። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብትዊተር ኣብ ዝጽሓፈ መልእክቲ ነቲ ዘሎ ስግኣታት ኣቅሊሉ ብምርኣይ፡ እንተኾነ እቲ ምንዋሕ ናይ መዓልቲ ምርጫ ከምዝድግፎ ገሊጹ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ እቲ ኮምሽን ምርጫ ነጻ ኮይኑ ነቲ ምርጫ ከምዘካየዱ ኸኣ ኣትሪሩ ገሊጹ። \"ንኹሎም ኢትዮጵያውን ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝተኻየዱ ምርጫታት ኣዝዩ ነጻን ቅኑዑን ምርጫ ከምእነካይድ ከረጋግጸልኩም እፈቱ\" ድሕሪ ምባል \"እቲ ምርጫ ኣብ ቀረባ ሳምንታት ክካየድ እዩ፡ ዘይከምቲ ዝብሃሎ ዘሎ ምዝገባ ኣድመጽቲ'ውን ጽቡቕ'ዩ ተኻይዱ\" ኢሉ። ገለ ኣብ ደገ ዝርከቡ ጉጅለታት ግን መንግስቲ ክንዲ ንምርጫ ነዘተን ሃገራዊ ዕርቅን ቀዳምነት ክህብ ከምዘለዎ ብምጽዋዕ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ግጭትን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኢትዮጵያ ዘሎ ዘይምርግጋእን ንኽፍታሕ ቀዳምነት ክውሃቦ ከምዘለዎ ይገልጹ። እቲም ጉጅለ፡ መንግስቲ ተኣሲሮም ዘለዉ ፖሎቲካውያን መራሕቲ ክፈትሕን ንስኒት እታ ኣተኵሮ ክህቦን ይጽውዑ። እቲ ምርጫ ካብቲ ክካየዶ ዝነበሮ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ምስ ተናወሐ፡ ሓደ ካብ ቀንዲ ጠንቂ ነቲ ሕጂ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ግጭት እዩ ኮይኑ። ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ዝመጽእ ቀዳማይ ሚኒስተረ ኣብይ ኣሕመድ፡ እቲ ምርጫ ምንውሑ ምስቲ ዝተኸሰተ ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተተሓሒዙ ቅኑዕ ስጉምቲ ምዃኑ እዩ ገሊጹ። እቲ ምርጫ ምስ ተናወሐ፡ እቶም ኣብ እዋን መሪሕነት ኢህወደግ ዓብላሊ ስልጣን ዝነበሮም መራሕቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ኣብይ ኣሕመድ ስልጣኑ ብዘይሕጋዊ መንግዲ የናውሕ ኣሎ ብምባል 'ሕጋዊ ስልጣን ዘይብሉ መራሒ እዩ\" ኢለሞ። ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ወርሒ መስከረም እኳ በይንኣዊ መርጫ እንተኣካየዱ መንግስቲ ፈደራል ግን ነቲ ምርጫ ኣፍልጦ ኣይሃቦን። ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ኸኣ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር፡ መንግስቲ ኢትዩጵያ ዕጡቓት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰሜናዊ እዚ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ብምባል ወተሃደራዊ ስርሒት ጀሚሩ። እቲ ሻውዓይ ወርሒ ሒዙ ዘሎ ኵናት ጠንቂ ሞት ኣሻሓት ሰባት ኮይኑ ይርከብ። ብዘይካ እዚ ብሚልዮናት ዝቁጸሩ ሰባት ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኤት ክኾኑ እንከለዉ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኸኣ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ኣለዉ። ትካላት ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት 'ዘባህርር' ክፍዕታት ከምዝተፈጸመ ብምግላጽ ብኽልቲኦም ወገናት ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ተፈጺሙ ይብላ፡ እቲ ንመንግስቲ ፌደራል ብምድጋፍ ኣብቲ ኵናት ከምዝተሳተፈ ዝግለጽ ሰራዊት ኤርትራ'ውን ኣብቲ ገበናት ኢድ ከምዘለዎ እተን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጻ። ኣብቲ ክልል ኣብ ብዙሕ ቦታታት ነቶም ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ረድኤት ንኽበጽሖም ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮይኑ ምህላዉ እዩ ዝሕበር። ምዝገባ መረጽቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እዩ ተወዲኡ፡ ክሳብ ዝሓለፈ ሰሙን ኸኣ ኣብታ ኣስታት 110 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ ብውሕዱ 36 ሚልዮን ሰባት ንኸድምጹ ከምዝተመዝገቡ ተገሊጹ። ኣብ 2015 ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ'ውን ብተመሳሳሊ 36 ሚልዮን እዮም ድምጾም ንኽህቡ ተመዝጊቦም ነይሮም ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ ግን እቲ ተመዝጊቡ ዘሎ ሰብ ካብቲ ሰብ መዚ ኣቐዲሞም ገሚተሞ ዝነበሩ ብ10 ሚልዮን ጎዲሉ ምህላዉ እዩ ዝፍለጥ። በብኽልሉ ከድምጺ ዝተመዝገቡ ብዝሒ ሰባት ምስ ተሓበረ ገለ ሰባት ኣብቲ ዝተውሃበ ኣሃዝ ምጥርጣራት ፈጢሮም ይርከቡ። ኣብታ ከም ብዓል ጀዋር መሓመፍ ዝኣመሰሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ተኣሲሮማ ዘለዉ ክልል ኦሮምያ እተን ቀንዲ ጸለውቲ ሰልፍታት እቲ ክልል ካብቲ ምርጫ ኣብ ዘግለላሉ ኣብታ ክልል 15 ሚልዮን ሰብ ንኸድምጽ ተመዝጊቡ ዝብል መግለጺ ብዙሓት ሰባት ምኽንያታት ብምዝርዛር ነቲ ኣሃዝ ብዓይኒ ጥርጣር ይርእይዎ ኣለዉ። እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ነቲ ምርጫ እኹል ምድላዋት ኣይገበረን ተባሂሉ ንዝቐረበሉ ነቀፌታታት ይነጽጎ እዩ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57153729"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ህወሓትን ሸኔን ግብረ ሽበራውያን ክበሃሉ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ኣጽዲቑ","content":"ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ሸኔን ግብረ ሽበራውያን ተባሂሎም ክስየሙ ዝቐረበ ሓሳብ ብሙሉእ ድምጺ ኣጽዲቑ። እቲ ባይቶ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ካብ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት እታ ሃገር ህወሓትን ሸኔን ግብረ ሽበራውያን ተባሂሎም ክብየኑ ዝቐረበሉ ምኽረ ሓሳብ ኣጽዲቑ ዘሎ። ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት፡ ዓንቀጽ 77 ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ጠቒሱ፡ ህወሓትን ሸኔን ግብረ ሸበራውያን ተባሂሎም ክስየሙ ዝሓትት ሓሳብ ናብቲ ባይቶ ልኢኹ ምንባሩ ይዝከር። ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ ብመሰረት ኣዋጅ ጸረ ሽብር እታ ሃገር ወከልቲ ክልቲኦም ጉጅለታት ናብቲ ባይቶ ቐሪቦም ንነብሶም ክከላኸሉ ብመራኸቢ ማዕከናት እታ ሃገር ጻውዒት ኣቐሪቡ ነይሩ። ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ድማ ነቲ ክልቲኦም ጉጅለታት ግብረሽበራውያን ተባሂሎም ክብየኑ ዝቐረበ ሓሳብ ብሙሉእ ድምጺ ከም ዘጽደቖ መራኸቢ ማዕከናት እታ ሃገር ጸብጺበን። ብዛዕባ እቲ ኣብዚ እዋን ብሰፊሑ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያን ኣብ ካልኦት ከባቢታት እቲ ክልልን ዝንቀሳቐስን ሰበ ስልጣን መንግስቲ 'ኦነግ ሸኔ' ኢሎም ዝጽውዕዎን ዕጡቕ ጉጅለ ነዚ ዝስዕብ ኢና እንፈልጥ። እዚ ብፍላይ ሰበስልጣን ክልል ኦሮምያ 'ኦነግ ሸኔ' ኢሎም ዝጽውዕዎ ሓይሊ፡ ንባዕሉ ''ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ'' ኢሉ እዩ ዝጽውዕ። 'ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ' ንብዙሕ ዓመታት፡ ወታሃደራዊ ክንፊ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ(ኦነግ) ኮይኑ ጸኒሑ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምምጽኡ ስዒቡ፡ ኣመራርሓ ኦነግ ናብ ኢትዮጵያ ምስኣተዉ፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (መንግስቲ ኦነግ ሸኔ ኢሉ ዝጽወዖ ዘሎ ሓይሊ) ካብቲ ውድብ ተፈልዩ፡ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከምዝቕጽል ኣፍሊጡ። ኣቦ መንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ 'ውን ፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ ሸኔ) ንሱ ከምዘይእዝዞ ዕላዊ ገይሩ ነይሩ። ሸኔ ዝብል መጸውዒ ካበይ ዝመጸ እዩ? ሸኔ ማለት 'ሸን' ካብ ዝብል ናይ ኦሮምኛ ቃል ዝመጸ እዩ፤ 'ሸን' ማለት ሓሙሽተ ማለት እዩ፡፡ 'ሸኔ' ማለት ድማ እቶም ሓሙሽተ ከም ማለት እዩ። ኣብ ውሽጢ ኣወዳድባ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፡ ሓሙሽተ ኣባላት ዘለዉዎ ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ 'ጉሚ ሸኔ' ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ።ጉሚ ሸኔ ማለት 'ሓሙሽተ ኣባላት ዘለዎ ጉባኤ' ከም ምባል እዩ። ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ነቲ ንባዕሉ 'ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ' ኢሉ ዝጽውዕ ሓይሊ ንምንታይ 'ኦነግ ሸኔ' ከምዝብልዎ ግልጺ ኣይኮነን። መራሒ 'ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ' ከምዝኾነ ዝእመን፡ ጃል (ብጻይ) መሮ ብዝብል ናይ ቃልሲ ሽም ዝፍለጥ ኩምሳ ድሪባ፡ ንናጽነት ኦሮሞ ኢና እንቃለስ ይብል። ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ 'ስጉምቲ' ክወስድ እየ ዝበለ እኳ እንተገበለ፡ ኣባላት እቲ ጉጅለ ፈጺሞምዎ ብዝተባህለ መጥቃዕቲ ብኣማኢት ሰባት ሞይቶምን ኣሻሓት ተፈናቒሎምን እዮም። መንግስቲ ኦነግ ሸኔ ኢሉ ብዝጽወዖ ጉጅለ፡ ብዙሐት ሰበስልጣናት መንግስትን ፖሊስን ከምዝተቐተሉን ባንኪታት ከምዝተዘረፉን ገሊጹ እዩ። እቲ ጉጅለ ብህወሓት ከምዝሕገዝን፡ ኣብቲ ናይ ትግራይ ኲናት እውን ኣብ ጎኒ ህወሓት ኮይኖም እናተዋግኡ ነይሮም ዝበሎም ዕጡቓት 'ኦነግ ሸኔ' ከምዝማረኸን መንግስቲ ኣፍሊጡ ነይሩ። ህወሓት ህወሓት ካብ ናይ ደባይ ቃልሲ ናብ ሃገር መራሕነት፡ ቀጺሉ ናብ ክልል ኣመሓዳርነትን ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ናይ ደባይ ቃልሲ ዝተመለሰ ውድብ እዩ። ንኣስታት 30 ዓመታት ኣብ መድረኽ ፖለቲካ እታ ሃገር ቀንዲ ተዋሳኢ ኮይኑ ዝጸንሐ ህወሓት፡ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ዝተወለዐ ኲናት ብዝተሓሓዝ፡ ብብሄራዊ ቦርድ መረጻ እታ ሃገር ካብ ዝርዝር ፖለቲካዊ ውድባት ክስረዝ ተገይሩ እዩ። ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ዘውዳዊ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሰ ወዲቑ፡ ኣብታ ሃገር ወተሃደራዊ መንግስቲ በትረ ስልጣን ምሓዙ ስዒቡ እዩ 11 ለካቲት 1967 ዓ\/ም ብኣቆጻጸራ ግእዝ ፡ ዕጥቃዊ ቃልሲ ምጅማሩ ይፍለጥ። ንቃልሲ ህወሓት መበገሲ ዝነበረ፡ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዘጣየሽዎ ማሕበር ገስገስቲ ብሄረ ትግራይ (ማገብት) ዝተባህለ መደበኛ ዘይኮነ ውዳበ እዩ። ምስ ደርጊ ዝግበር ዝነበረ ኲናት እናሰፈሐን ናብ ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር እናተሳገረ ምስከደን፡ በቢኸባቢኡ ዘለዉ ህዝቢታት ይውክሉ እዮም ዝተባህሉ ውድባት ኣብ ምሕቋፍን ኣብ ምጥያስን ህወሓት ዓብዪ ተራ ነይሩዎ። ነዚ ስዒቡ ድማ ምስ ናይ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ (ኢህዴን)፣ ናይ ህዝቢ ኦሮሞ ዴሞክራስያዊ ድርጅት (ኦህዴድ)ን ናይ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ (ደኢህዴን)ን ግንባር ብምፍጣር ንኢህወዴግ መስሪቶም፡፡ ብህወሓት ዝዕብለል ዝነበረ ኢህወዴግ ንስርዓት ደርግ ካብ ስልጣን ብምእላይ ን 27 ዓመታት ነታ ሃገር መሪሑ እዩ፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስመጸአ ግና ኣፈላላያት እንሰፈሐን እናጎለሐን መጺኡ፡፡ ኣብ መወዳእታ ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ፡ 'ህወሓት ናብቲ ሓድሽ ውህደት ኣይጽንበርን' ካብ ምባል ብተወሳኺ \"እቲ ውህደት ሕጋዊ ኣይኮነን\" ብምባል ተቓዊምዎ። ህወሓት ኣመራርሕኡ ሒዙ ናብ ትግራይ ምስኣተወ ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝነበሮ ርክብ ካብ ምሕርፋፍ ሓሊፉ ናብ ጎንጺ ኣምሪሑ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57007066"} {"headline":"ኣብ ትሽዓተ ወረዳታት ቄለም ወለጋ ማይን መብራህትን ካብ ዝቋረፅ ሓደ ወርሒ ሓሊፉ","content":"ኣብ ቄለም ወለጋ ደምቢደሎ ሓዊሱ፡ ኣብ ትሽዓተ ወረዳታት እቲ ዞባ ኣግልግሎት መብራህትን ማይን ካብ ዝቋረፅ፡ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ከምዘቑፀረ፡ ምምሕዳር እቲ ዞባ ንቢቢሲ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ኮምዩኒኬሽን እቲ ዞባ ኣይተ ሃምባ ረጋ፡ ካብ ደምቢደሎ ናብ ጋምቤላ ዝተዘርገሐ መስመር፡ ኣንፊሎ ኣብ ዝበሃል ቦታ ብምቁራፁ፡ ከምኡ’ውን ናይ ኤሌክትሪክ ተሸካሚ ዓንዲታት ጉድኣት ስለዝወረዶን፡ ኣብቲ ዞባ ኣገልግሎት መብራህቲ ከምዝተቛረፀ ገሊፁ። ዋና ከተማ እቲ ዞባ ኣብ ዝኾነት ደምቢደሎ ሓዊሱ፣ ሰዩ፣ ጅማ ሆሮ፣ ጋዎ ቄቤን ያማ ሎጊ ወለልን ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ካብ ሞንጎ ዝተቛረፀን ወረዳታት እየን። ካብዚ ብተወሳኺ፡ መብዛሕትኡ ቀረብ ማይ እቲ ዞባ ምስ ሓይሊ መብራህቲ ዝተትሓሓዘ ስለዝኾነ፡ ደምቢደሎ ሓዊሱ ኣብ ትሽዓተ ወረዳታት፡ ማይ ካብ ዝቋረፅ ልዕሊ ወርሑ ከምዘቑፀረ፡ ኣይተ ሃምባ ገሊፁ። ነበርቲ ደምቢደሎን ከባቢኡን፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ካብ ከባቢኦም ርሑቕ ተጓዒዞም፡ ካብ ሩባ ማይ ቀዲሖም ከምዝጥቀሙ፣ ካልኦቶም ከኣ ማይ ዝናብ ብምዕቛር ከምዝጥቀሙ ንቢቢሲ ገሊፆም። እኽሊ ንምጥሓን፡ ካብ ዘለውዎ ርሒቑ ናብ ዝርከብ ብነዳዲ ዝሰርሕ መጥሓን ብምኻድ ከምዘጥሕኑ ዝገለፁ እቶም ነበርቲ፡ “ኣብ ከቢድ ፀገም ኢና ዘለና፤ ንበልዖ ክንስእን ንኽእል ኢና” ክብሉ፡ ስግኣቶም ተዛሪቦም። መንቀሊ እቲ ፀገም እንታይ እዩ? ካብ ደምቢደሎ ናብ ጋምቤላ ኤሌክትሪክ ንምምሕልላፍ ዝተዘርግሐ መስመር፡ “ብዕጡቓት ኦነግ ሸኔ ከምዝተቛረፀ” ሓላፊ ኮምዩኒኬሽን እቲ ዞባ ይገልፅ። “መንግስቲ ነቲ ዝተቛረፀ መስመር ንምፅጋን፡ ናብቲ ቦታ ሸውዓተ ሰብሞያ ልኢኹ ኔሩ። ግና እቶም ዕጡቓት ዋንነተን ናይቲ ዞባ ጨንፈር ቤትፅሕፈት ዝኾና፡ ዝጓዓዙለን ዝነበሩ ክልተ መኻይን፡ ሓንቲ ፒክኣፕን ሓንቲ ኣይስዙን ብምቅፃል፡ ንዕኦም’ውን ንሰለስተ መዓልቲ ዓጊቶም ወቒዐሞም፤ ኣብ ራብዓይ መዓልቲ እዮም ሰዲደሞም” ይብል፡ እቲ ሓላፊ። እዚ ተግባር ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝተፈፀመ ዝገልፅ እቲ ሓላፊ፡ እቶም ሰብሞያ ኣብ ኣንፊሎ ወረዳ፡ ኣብ ሞንጎ ዳዎ ቶፒን ያሬድን ዝበሃል ከባቢ ከምዝተጠቕዑ ሓቢሩ። “ሕዚ እቶም ሰብሞያ ተሓቢኦም እዮም ዘለዉ፤ ንዕኦም ረኺብና ስራሕቲ እቲ ፅገና ክነቐፅል ኣይከኣልናን” ዝብል እቲ ሓላፊ፡ ብወገን ምምሕዳር እቲ ዞባ፡ ነቲ ዝተቛረፀ መስመር ንምፅጋን ድሉውነት ከምዘሎ ሓቢሩ። ሕዚ’ውን፡ ኣብ ከም ጊዳሚን ኣንፊሎን ዝበሉ ወረዳታት እቲ ዞባ፡ ስግኣት ፀጥታ ከምዘሎ ገሊፁ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56661801"} {"headline":"“ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል የጋድድ ኣሎ” ዳንኤል በቀለ (ዶ\/ር)","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጥሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ካብ ዘላትሉ ፖለቲካዊ ቅልውላው ዝምንጩ ከምዝኾነ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዶክተር ዳንኤል በቀለ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ንሱ ከምዝበሎ ኣብታ ሃገር ንዘጋጠመ ጸገም ፍታሕ ምድላይ ስለዘይተኽኣለ ሰፊሕ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ክፍጽም ምኽንያት ኮይኑ ይርከብ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነቶም ኣብ ትግራይ ዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ምስ ሕቡራት ሃገራት ብምዃን የጻርይ ምህላዉ ይፍለጥ። ብሓፈሻ ኣብታ ሃገር ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብሄር መሰረት ዝገበሩ ጎንጽታት፣ ምፍንቓል ዜጋታትን ቅትለታትን ዘጋጠሙ ኮይኖም ብዙሓት ፖለቲከኛታትን ውልቀሰባትን ድማ ኣብ ማእሰርቲ ይርከቡ። ኮሚሽነር ዳንኤል ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ከምዝሓበሮ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ወጥሪ መንቀሊ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ'ሎ። እቲ ወጥሪ እናኸረረ ብምምጽኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዘጋጠሙ ጎንጽታት ሞት፣ ምፍንቓልን ዕንወት ንብረትን ስለዘኸተሉ ነቲ ጸገም ከምዘተሓላለኽዎ ድማ ኣረዲኡ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብሰንኪ ዝተፈጠሩ ጎንጽታት ህይወት ብዙሓት ሰባት ከምዝጠፍአ፣ ምፍንቓል ከምዘጋጠመን ንብረት ከምዝዓነወን ዘዘኻኸረ እቲ ኮሚሽነር፤ እቲ ወጥሪ ሎሚ’ውን ብዘይምህድኡ ‘ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ሰብኣዊ መሰላት ከምእትርከብ” ገሊጹ። ብድሆታት እቲ ኮሚሽን ዶክተር ዳንኤል ከምዝበሎ ካብ ሞንጎ ብድሆታት እቲ ኮሚሽን እቲ ብቐዳምነት ዝስራዕ ምስ ሕሉፍ ታሪኹ ዝተኣሳሰር’ዩ። ቅድሚ ሎሚ ብናጽነትን ብብቕዓትን ይሰርሕ ብዘይምንባሩ ትካላዊ ብቕዓት ከምዘይብሉ ይዛረብ። እዚ ከኣ ብውሱን ዓቕሚ ሓይሊ ሰብ፤ ቴክኖሎጂን ስልትታት ስራሕን ብኣግባቡ ብዘይምጥቃም ዝግለጽ ምዃኑ ኣረዲኡ። ብዘይካ’ዚ ድሩትነት ሓይሊ ሰብን ገንዘብን ተወሰኽቲ ጸገማት እቲ ኮሚሽን ከምዝኾኑ ብምሕባር ውሱንነት በጀት ብምህላዉ ክንድቲ ዝድለ ንኸይሰርሑ ማሕለኻ ከምዝኾኖም ይገልጽ። ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ጸገም ግህሰታት ሰብኣዊ ጥሕሰታት ንኽሰፍሕ ስለዝገበረ ከኣ ካልእ ተደራቢ ፈተና ከምዝኾኖም ድማ ሓቢሩ’ሎ። ዝተፈላለዩ ጫፋት ሒዙ ዝካረር ዘሎ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ብመንነት ብሄተር ዝተቓነየ ብምዃኑ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝስራሕ ኩሉ ስራሕን ዝግበር ምንቅስቓስን በዚ መነጽር ከምዝረኣዩ እቲ ኮሚሽነር ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ንሱ ከምዝበሎ ስራሕቲ ሰብኣዊ መሰላት እውን በዚ መንጽር ዝቃነዩሉ ተርእዮታት ኣሎ። ኣብ ታሪኽ ምምሕዳር መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ሹመኛታትን ሓለፍቲ ጸጥታን ብነጻን ዘይሻራውን ትካል ተሓተትቲ ዝኾኑሉ ተሞክሮ ኣይነበረን ይብል። ኣብዚ እዋን ንስራሕቲ መንግስቲ ብነጻን ዘይሻራውን ትካል ብምምርማር ዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝቃልዑሉ እዋን ከምኡ’ውን ተሓታትነት ንኽረጋገጽ ጸቕጢ ክገብር ከሎ ወይ ምኽረ ሓሳብ ከቕርብ ከሎ፤ ካብ ገለ ሹመኛታት መንግስቲ ቅኑዕ ዘይኮነ ምላሽ ከምዝቐርበሎም የረድእ። ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ኣብ ኦሮሚያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ እቲ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘሎ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት እሱራት ከምዘሻቐሎ ገሊጹ ነይሩ። እቲ ኮሚሽን ዑደት ኣብ ዘካየደሎም ጣብያታት ፖሊስ ዝርከቡ እሱራት ሰብኣዊ መሰላቶም ዝሕለወሉ ኩነታት ብቕልጡፍ ምምሕያሽ ክግበረሉ ዝሕትት መግለጺ ኣውጺኡ ምንባሩ ይዝከር። ኣብቲ ክልል ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ዝተኣሰሩ ሰባት ከምዘለዉ ከምኡ’ውን ብመሰረት ውሳነ ቤት ፍርዲ ክፍትሑ ዝነበሮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ከምዘለዉ ድማ ምሕባሩ ይዝከር። “ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምስ ኣተሓሕዛ እሱራት ዝተሓሓዙ ዘሻቕሉ ተርእዮታት ኣለዉ” ዝብል ኮሚሽነር ዳንኤል፤ ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ነበርቲ እቲ ክልል ዝፈጥርዎ ስግኣት ድሕነትን ኣብ ልዕሊ ኣካላት ጸጥታ መንግስቲ ዘብጽሕዎ ጉድኣትን ኮሚሽኖም ከምዝግንዘብ ይዛረብ። ካብ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ብዝኾነ መገዲ ዝተኣሰሩ፣ ኣብ ማእሰርቲ ከቢድ መግረፍቲ ዝተፈጸሞምን ተመጣጣኒ ብዘይኮነ ኣጠቓቕማ ሓይሊ ህይወቶም ዝጠፍአን ሰባት ከምዘለዉ ድማ ገሊጹ። ንሱ ከምዝበሎ ዕጡቓት ብዝወሰድዎም ስጉምትታት ዝተቐተሉ ብዙሓት ሰባት ሰባት ኣለዉ። ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ናይ ዘይምኽባር ተርእዮታት ኣብ ካልኦት ከባብታት እታ ሃገር ዝረኣይ’ኳ እንተኾነ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ግን ሰፊሕ ብምዃኑን ቅሬታታት ስለዝቐረቡን ፍሉይ ትኹረት ብምሃብ ዳህሲሶምዎ’ዮም። ምስ ሰበስልጣን እቲ ክልል ተቐራሪቦም ንምስራሕ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ሓሓሊፉ ካብ ዝተወሰኑ ሹመኛታት ቅኑዕ ዘይኮነ ምላሽ ከምዝተወሃቦም ኮሚሽነት ዳንኤል ይዛረብ። ካብዚ ብዝነቅል ምኽንያት ከኣ ውጽኢት መጽናዕቶም ብገለ ሰብመዚ እቲ ክልል ተቐባልነት ክረክብ ኣይከኣለን። ተቐባልነት ምኽረ-ሓሳባት እቲ ኮሚሽን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ዘውጽኦም መግለጺታት ዘቕመጦም መመሓየሺ ምኽረ-ሓሳባት ሓሓሊፉ ተቐባልነት ከምዝረኸቡ ዝዛረብ ዶክተር ዳንኤል “ስጉምቲ ክውሰድ ከሎን ምምሕያሽ ክግበርን ንርእይ ኢና፤ እንተኾነ ዘይተመሓየሹ ነገራት እውን ንዕዘብ ኢና” ይብል። እቲ ኮሚሽን ምጽራይ ገይሩ፤ ብቤት ፍርዲ’ውን መሰል ውሕስና ተፈቒዱሎም ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ ኣለዎም ዝተበሃሉ ሰባት ክሳብ ሎሚ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡሉ ኩነታት ኣሎ። ብዘይትእዛዝ ቤት ፍርዲ ዝተኣሰሩ፣ ህይወት ብምጥፋእ ተሓተትቲ ክኾኑ ዘለዎም ጉጅለታት ከምኡ ድማ ምጽራይ ተኻይዱ ስጉምቲ ዘይተወሰዶም ከምዘለዉ ይሕብር። ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ዘይምኽባር ብተደጋጋሚ ዝተረኣየ ጸገም ከምዝኾነ ዝገልጽ ኮሚሽነር ዳንኤል “ብዝኾነ ይኹን መገዲ ተቐባልነት ዘይብሉ ኣሰራርሓ እዩ” ክብል ነቲ ተግባር ኮኒኑ። ነጻነት እቲ ኮሚሽን ዶክተር ዳንኤል ብኮሚሽነርነት ተመዚዙ ናብ ስራሕ ካብ ዝኣተወሉ እዋን ጀሚሩ ካብ መንግስቲ ዝኾነ ዓይነት ጽዕንቶ በጺሕዎ ከምዘይፈልጥ’ዩ ዝዛረብ። ኣብ ኢትዮጵያ ሰፊሕን ዝተሓላለኸን ጸገማት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘሎ ብምሕባር ድማ እቲ ኮሚሽን ብዘይ ገለ ጸቕጢ ዝኾነ ይኹን ኣካል ብዘለዎ ዓቕሚ ይሰርሕ ምህላዉ ይገልጽ። “እቲ ኮሚሽን ለውጢ ንኸምጽእ ዝገበሮ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሓድሽ ምዕራፍ ፖለቲካ እዩ” ይብል። ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ትግራይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ምስ ሕቡራት መንግስታት ብምዃን ምጽራይ ይገብር ከምዘሎ ዶክተር ዳንኤል ይዛረብ። ካብ ሕቡራት መንግስታት ንዝተወከሉ ሰብሞያ ዝጠርነፋ ጉጅለታት እውን ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እቲ ክልል ብምንቅስቓስ ይሰርሓ ኣለዋ ይብል። ጉድኣት ካብ ዝበጽሖም ውልቀሰባት፣ ስድራ፣ መንግስታዊ ኣመሓደርቲን ካልኦት ምንጪታት ሓበሬታን ዝተፈላለዩ መረዳእታታት ኣብ ምእካብ ይርከባ። እቲ ናይ ምጽራይ ስራሕቲ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ንምዝዛም ውጥን ከምዝነበረ ዝገልጽ እቲ ኮሚሽነር ገለ ስራሕቲ ብዝተሓሰበሉ ክፍጸሙ ብምዘይምኽኣሎም ግን ክደናጎይ ከምዝኸኣለ ኣረዲኡ። ነቲ ምስ ካልኦት ብምትሕብባር ዝገብሮ ዘሎ ምጽራይ ከኣ ገለ ዘተኣጓጉሉ ምኽንያታት እንተዘይኣጓኒፎም ብመሰረት ዝተትሓዘ ውጥን ኣብ ነሓሰን መስከረምን ንምፍጻም ንሰርሕ ኣለና ክብል ተዛሪቡ። ኣብ ትግራይ ንዘሎ ሓደጋ ጥምየት ብዝምልከት ካብ ሕቡራት ሃገራት ንዝቐረበ መጠንቀቕታ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ቆላሕታ ክገብሩሉ ብምግላጽ፤ ኣብቲ ክልል ካብ ዝተዓዘብዎም ነገራት እቲ ሓደ ኣብ ሆስፒታላት ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ዝተጎድኡ ህጻናት ቁጽሮም እናወሰኸ ምምጽኡ ከምዝኾነ ኮሚሽነት ዳንኤል ኣዘኻኺሩ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57747413"} {"headline":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ጅማ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ '20 ሰባት ከምዝተቐተሉ' ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ጅማ ኣብ ዝርከባ ክልተ ቀበሌታት ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ከምዝቐተሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ መጥቃዕቲ ብ15 ሚያዝያ 2013 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ኣብ ወረዳ ሊሙ ኮሳ፡ ቀበሌታት ቀጮ ክርክራን ጋሌን ዝተፈጸመ ኮይኑ ብውሑድ 20 ሰባት ከምዝተቐተሉ እቲ ኮሚሽን ንቢቢሲ ሓቢሩ። ብተመሳሳሊ ኣብ 14 ሚያዝያ 2013 ኣብ ክልል ደቡብ ፍሉይ ወረዳ ኣማሮ ቀበሌ ዳኖ ዕጡቓት ሓይልታት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ሓደ ሰብ ከምዝተቐተለ ወሲኹ ገሊጹ። ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣይተ ኢማድ ቱኔ፤ ዕጡቓት ኣብ ወረዳ ሊሙ ኮሳ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ንጹሃን ሰባት ብድሕሪ ምቕታሎም ሓይልታት ጸጥታ ከምዝበጽሑ ተዛሪቡ። ናብቲ ቦታ ምስበጽሑ ከኣ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ተወሳኺ ጥቕዓት ንኸይፍጸም ኽከላኸሉ ምኽኣሎም ብምሕባር ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ሓይልታት ጸጥታ ናብ ዞባ ጅማ ክዋፈሩ ስለዝተገበረ ነቲ መጥቃዕቲ ምቁጽጻር ከምዝተኽኣለ ኣረዲኡ። እንተኾነ ናብቲ ከባቢ ሰብሞያ ብምልኣኽ ነቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ብትኽክል ምጽራይ ከምዘይተኽኣለ ኣይተ ኢማድ ገሊጹ። ዛጊድ ዝተኣኻኸበ መረዳእታ ግን እቲ ኣብ ዞባ ጅማ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንተወለድቲ ብሄረ ኣምሓራ ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ የመልክት ኢሉ። ቢቢሲ ካብ ነበርቲ እቲ ጥቕዓት ዝተፈጸመሉ ከባቢ፣ ካብቲ ዞባን ኣመሓደርቲ ወረዳን ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረሉን። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ድሕነትን ፍሉይ ወረዳ ኣማሮ ኣይተ ኤልያስ ይልማ ብወገኑ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ዝምታ ከምዝተኻየደን ኣረጋጊጹልና። ኣብ ሓለዋ ጥሪት ዝነበረ ሓደ ሰብ ከምዝተቐተለን ልዕሊ 70 ጥሪት በቶም ዕጡቓት ከምዝተወሰዳን ዝሓበረ እቲ ሓላፊ፡ ካብ መዋስንቲ ቀበሌ ዝተበገሱ ሸፋቱ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ተዛሪቡ። ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ጸገም ጸጥታ ኣርባዕተ ዓመታት ከምዘቑጸረ ብምዝኽኻር ቅድም መሪሕነት ክልቲኤን ወረዳታት ተዛትዮም ዕርቀ-ሰለም ከምዝፈጸሙ ሓቢሩ። ኣብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ድማ ልዕሊ 150 ንጹሃን ሰባት ከምዝተቐተሉን 158 ከምዝቖሰሉን ገሊጹ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ ዞባ ጅማ ወረዳ ሊሙ ኮሳ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ንምርካብ ይሰርሕ ኣሎ ዝበለ ላዕለዋይ ኣማኻሪ እቲ ኮሚሽን ዛጊድ ግን ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ኣካል ምፍላጥ ከምዘይተኸኣለ ሓቢሩ። መንግስቲ ንዕጡቓት ኦንግ ሸኔ ተሓተትቲ እንተገበረ’ውን እቲ ኮሚሽን ብዘይሻራዊ ኣካል ዝተጻረየ መረዳእታ ከምዘይብሉ የመልክት። “ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ይፈጽሞ ንጹሃን ሰባት ግን ክቕተሉ የብሎምን” ኢሉ ላዕለዋይ ኣማኻሪ እቲ ኮሚሽን ኣይተ ኢማድ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56898516"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምዕራብ ክልል ኦሮሚያ ተጨውዮም ዝጸንሑ ቻይናውያን ዓደንቲ ንኤምባሲ ሃገሮም ተረኪቦም","content":"ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ብዕጡቓት ተጨውዮም ዝጸንሑ ቻይናውያን ከምዝተለቁ ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ። ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ናይቲ ማሕበር ኣልዮና ሳይኔንኮ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ እቶም ሰለስተ ቻይናውያን ንኤምባሲ ሃገሮም ኣብ ኢትዮጵያ ከምዘረከብዎም ሓቢሩ። ንርእሱ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብምባል ዝጽውዕ፡ ብ\"ሸኔ\" ዝፍለጥ ዕጡቕ ጉጅለ ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ነቶም ወጻእተኛታት ከምዝሓዞም ኣፍሊጡ ነይሩ'ዩ። \"እቲ ማሕበር ብዘለዎ ዘይሻራዊ ሓላፍነት፡ ነቶም ሰለስተ ቻይናውያን ካብ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ተረኪቡ ናብ ኤምባሲ ቻይና ክሰጋገሩ ኣወሃሂዱ\" ክብል እቲ ኣፈኛ ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣረጋጊጹ። እቲ ጉጅለ ብፓርላማ ኢትዮጵያ \"ኣሸባሪ\" ተባሂሉ ክምዝገብ ዝተወሰነሉ ምዃኑ ይፍለጥ። ሰለስቲኦም ኣብ መነ ሲቡ ዝተባህለ ከባቢ ከምዝተታሕዙ፡ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ስእሎም ኣሰኒዩ ኣውጺእዎ ዝነበረ መግለጺ የነጽር። ኣብቲ እዋን፡ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን፡ ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ መጭወይቲ ናይቶም ቻይናውያን ዝሃብዎ መግለጺ ኣይነበረን። ቢቢሲ ንማሕበር ቀይሕ መስቀል ብምውካስ ኣብ ዘካየዶ ምጽራይ ግን፡ እቶም ናይ ዕደና ሰራሕተኛታት ምዃኖም ዝተነግረሎም ሰለስተ ቻይናውያን፡ ነቲ ማሕበር ከምዝተረከቡ ከረጋግጽ ኪኢሉ። እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ከባቢ ከተማ መንዲ ዝካየድ ዘሎ ዕደና \"ሕጋዊ ኣይኮነን\" ብምባል ተቓውምኡ ንምግላጽ ነቶም ሰለስተ ዓደንቲ ክጨዊ ከምዝተገደደ ይምጉት። \"ኣብ መንጎ መንግስትን ኣውጻእቲ ዕደናን ዝተበጽሐ ስምም ሕጋዊ ኣይኮነን\" ብምባል \"ጨውየዮም ኣለኹ\" ኢሉ ነይሩ። እንተኾነ ግን፡ ሓላፊ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ዝኾነ ኣቶ ኤልያስ ኡመታ ኣብቲ እዋን ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ \"ኣብቲ ንኡስ ዞባ ዝተጨውየ ናይ ወጻኢ ዜጋ የለን\" ብምባል ነቲ በቶም ዕጡቓት ዝወጸ መግለጺ ነጺግዎ ምንባሩ ይዝከር። \"ኣብ ወረዳናን ቀበሌናን ከምዚ ዓይነት ነገር ከምዘይተኸሰተ ኣረጋጊጽና ኢና\" ክብል ኣብቲ እዋን ተዛሪቡ። ሰብመዚ'ቲ ክልል ብወገኖም፡ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ኣፍልጦ ከምዘይነበሮም ሓቢሮም ነይሮም። ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት፡ ኣብ ምዕራብ ክልል ኦሮሚያ ዕጡቓት ብዝፍጽምዎ መጥቃዕትታት ሓያሎ ሰበስልጣን መንግስትን ሰላማውያን ዜጋታትን ክቕተሉ ምጽንሖም ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፉ 8 ኣዋርሕ ጥራይ ኣብ ክልል ኦሮሚያ 18 ሰበስልጣን መንግስቲ፡ 112 ኣባላት ፖሊስን 42 ኣባላት ሚሊሻን ብዕጡቓት ምቕታሎም ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ፈደራል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጠቒሱ ነይሩ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57309507"} {"headline":"ስድራ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ጉዳይ ፍርዲ ቅሬታ ከምዘለዎም ገሊጸም","content":"ስድራ ውሩይ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ በቲ ንቕትለት ሃጫሉ ኣመልኪቱ ዝግብር ዘሎ መርመራን ናይ ቤት ፍርዲ ኣካይዳን ዘለዎም ርኢቶ ኣካፊሎሙና ኣለዉ። ንእሽተይ ሓዉ ንድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ሲሳይ ሁንዴሳ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት \"ንትሽዓተ ወርሒ ከይተዛረብና ስቅ ኢልና ዝጸናሕናሉ፡ ዝኾነ ኣካል ካብ ሞት ሃጫሉ ፖሎቲካዊ መኽሰብ ንኸይረክብ ኢልና ኢና\" ኢሉ። ምስ ሞት ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ተተሓሒዙ ዝግበር ዘሎ መርመራን ኣካይዳ ናይቲ ቤት ፍርድን ኣመልኪቱ ኸኣ \"ፖሎቲካዊ ጸወታ'ዮም ዝጻወቱ ዘለዉ: እዚ ኩልና ስድራ ንፈልጦ ኢና\" ኢሉ። ኣብዚ ትሽዓተ ኣዋርሕ ወሲዱ ዘሎ መስርሕ ፍርዲ \"ናብ መጋባእያ ከይኣትዉ ምኽልካልን ካልእ ስጉምትታትን\" ኣብ ልዕሊ እቲ ስድራ ክውሰዱ ምጽንሖም ሲሳይ ይሕብር። ንመስርሕ ፍርድን ክስን ዝካታተልዎ ዘለዉ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራልን ኣኽባሪ ሕግን ብወገኖም እቲ መስርሕ ፍርዲ ንሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ተኸቲሉ ይካየድ ምህላዉ'ዮም ዝገልጹ። ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብኣቆጻጽራ ግእዝ 22 ሰነ 2012 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መኪንኡ እዩ ተቐቲሉ። በቲ ቕትለት ዝተጠርጠሩ ኣርባዕተ ሰባት ክሲ ተመስሪትዎም ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ይረአ ኣሎ። ካብቶም ተኸሲሶም ዝነበሩ ራብዓይቲ ተኸሳሲት ላምሮት ከማል ኮይና፡ ብነጻ ክትፍኖ: ሳልሳይ ተኸሳሲ ኣብዲ ኣለማየሁ ከኣ ብ10 ሽሕ ብር ዋሕስ ክፍታሕ ቤትፍርዲ ወሲኑ እዩ። ቀዳማይ ተኸሳሲ ጥላሁን ያሚ ብቐጥታ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ምፍጻሙ ዘረጋግጽ ብቑዕ ናይ ሰብ ኮነ ናይ ሰነድ መርትዖ ስለዘይተረኽበ ክሱስ ነቲ ክሲ ክኸላኸል ቤትፍርዲ ምውሳኑ ይዝከር። ኣብቲ መዝገብ ካልኣይ ተኸሳሲ ዝኾነ ከበደ ገመቹ ምስ ቀዳማይ ተኸሳሲ ጥላሁን ያሚ ብምዃን ነቲ መቕተልቲ ብምፍጻሙ ክከላኸል ተወሲኑ እዩ። እንተኾነ ግና ከበደ ገመቹ ምስ ቀዳማይ ተኸሳሲ ጥላሁን ያሚ \"ጉድኣት ኣውሪድና ንስረቆ\" ብምባል፤ ዝምታ ንምፍጻም ብምስምማዕ ሓቢሩ ምኻዱ ከም ዝተረጋገጸ ተሓቢሩ እዩ። ስለዚ ነቲ ተግባር ተዳልዩ ከምዘይፈጸሞ ብምግላጽ እቲ ጉዳይ ብገበናዊ ሕጊ 1996 ዓንቀጽ 540 ክረአ ብይን ተዋሂቡ። ሳልሳይ ተኸሳሲ ኣብዲ ኣለማየሁ ኣብ ቅትለት ሃጫሉ ብቐጥታ ከም ዝተሳተፈ ዘረጋግጽ መርትዖ ኣይተረኸቦን፤ እንተኸነ ግና: ነቲ ቕትለት ርእይዎ ክንሱ ንፖሊስ ዘይምሕባሩ ናይ ዋሕስ መሰሉ ተሓልዩ ካብ ደገ ጉዳዩ ክከታተል ቤትፍርዲ ወሲኑ ኣሎ። ሓዉ ንሃጫሉ፡ ሲሳይ ኩሉ ስድራ እቲ ቕትለት ብሳልሳይን ዘይሻራውን ዝኾነ ኣካል ክምርመር ድሌት ከምዝነበሮም እዩ ዝሕብር። እንተኾነ ነዚ ሓሳቦም እዚ ከቕርብሉ ዝኽእሉ መገዲ ኩሉ ተዓጽይዎም ምንባሩ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ውሃቢ ቃል ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ ኣቶ ኣወል ሱልጣን ነቲ ስድራ ሃጫሉ ዘቕረብዎ ቅሬታ ክምልስ እንከሎ፡ ካብ ፖሊስን ኣኽባሪ ሕግን ንላዕሊ ዘይሻራዊ ኮይኑ ነዚ ቕትለት ክርኢ ዝኽእል ካልእ ኣካል ከምዘየለ እዩ ዝገልጽ። ልዕሊ ዓቕሚ እዞም ኣካላት ዝኾነ ነገር ምስ ዘጋጥም፡ ንፈተውቲ ሃገራት ጸዊዕካ ሓገዘን ከበርክታ ዝግብረሉ ኣጋጣሚ ከምዘሎ ዝሕብር ውሃቢ ቃል ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ ኣቶ ኣወል ሱልጣን፡ ምስ ቕትለት ሃጫሉ ተታሓሒዙ ዝግብር ዘሎ መርመራን መስርሕ ቤት ፍርድን ግና ሓገዝ ዘሕትት ኣይኮነን ኢሉ። ንሱ ወሲኹ \"ስድራ ሃጫሉ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ምልዓሎም ጌጋ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ\" እኳ እንተበለ ተግባራዊ ክኸውን ዘፍቅድ ሕጊ ግን ከምዘየለ የረድእ። ብዛዕባ ቕትለት ሃጫሉ ዝተገበረ መርመራ ፍልይ ብዝበለ መልክዕ ቅልጡፉን ተሪርን ምንባሩ ዝሕብር ኣቶ ኣወል ሱልጣን ኣብ መስርሕ መርመራ ስድራ ሃጫሉ ዝርከብዎም የድልዩ እዮም ዝተብሃሉ ዘሳተፈ ምንባሩ ጠቂሱ። \"ኣብ መስርሕ እቲ ፍርድን መርመራን ምስ ስድራ ሃጫሉ ጽቡቕ ዝኾነ ርከብ እዩ ነይርና\" ኢሉ። እቲ መስርሕ መርመራ ተሪር ምንባሩ ንኸረድእ ኸኣ፡ ካብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መርመራ ገበን ልዑል ብቕዓት ዘለዎም ከምኡ'ውን ካብ ላዕላዋይ ኣኽባሪ ሕጊ ኸኣ ዳይረክተራት መርመራ ገበን ዝርከብዎም ካብ ኩሉ ዝተዋጽኡ መርመርቲ ዘሳተፈ ምንባሩ ሓቢሩ። ምስ ሃጫሉ ኣብ ሓደ ገዛ ዝነብር ዝነበረ ሓዉ ንሃጫሉ ሲሳይ፡ ሃጫሉ ዝተቐተለሉ ምሸት ብፖሊስ ተኣሲሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝሓደረን ንግሆ ከምዝፈትሕዎን ንቢቢሲ ገሊጹ። ምስ ተፈተሐ፡ ኣብታ ሓዉ ዝተቐተለላ ምሸት እንታይ ከምዝተፈጸመን እንታይ ከምዝረኣየን ዝሓተቶ ኣካል ከምዘየለ ብምሕባር እቲ መስርሕ መርመራ ንስድራ ሃጫሉ ዘሳተፈ ከምዘይነበረ ከምኡ'ውን ስድራ ሃጫሉ ጉቡእ ዝኾነ መስርሕ መርመራ ተኻይዱ ኢሉ ከምዘይኣምን ገሊጹ። \"ንኣብነት እኹል ምርትዖታት ዘለዎን ሃጫሉ ምስ ሰብ መራኸቢ ዝጥቐመላ ተሌፎኑ ኣብ ኢድ መርመርቲ እያ ዘላ፡ ኤግዚቢት ተታሒዙ ዝነበረ እዩ ኢሎም ኣብ ዝመለሱልና 480 ሽሕ ብርን ከም ቅያር ዝጥቀመላ ዝነበረ ቴሎፎንን መሊሶሙልና እዮም። \"እንተኾነ እታ እኹል ሰነድ ዘለዋ ቴሌፎንን ከምኡ'ውን ሽጉጥ ናይ ሃጫሉ ኣብ ኢዶም እዩ ዘሎ፡ እታ ቴሌፎን ብዘይምኽንያት ኣይኮኑን ዘይመለሱልና ኢልና ኢና ንሓስብ\" ይብል ሲሳይ። ስድራ፡ ሃጫሉ ኣብቲ ተቐቲልዎ ዝተብሃለ ቦታ ምቕታሉ ከምዘጠራጥሮምን \"ሕጂ ብዘሎ ኩነታት ፍትሒ ክንረክብ ኢና ኢልና ኣይንሓስብን ኢና\" ዝብል ግምት ከምዘለዎም ሲሳይ ይሕብር። ውሃቢ ቃል ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ ኣቶ ኣወል ሱልጣን ብወገኑ ቴሌፎን ሽጉጥን ናይ ሃጫሉን ከምኡ'ውን ኣብታ መኪና ዝነበረ ኩሉ ዓይነት ንብረት እኹል መርመራ ከምዝተገበረሉ እዩ ዝገልጽ። ብዛዕባ እቲ ስደራ ኣይተመለሰልናን ዝብልዎ ዘለዉ ንብረት ኸኣ፡ ብጀካ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ መስርሕ ክርክር ኣድላዪ እዩ ዝበሎ ንብረት ዝተረፈ ኩሉ ንስደራ ከምዝተረከበ ገሊጹ። ሓዉ ንሃጫሉ ሲሳይ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ \"ንዓና ተስፋ ዘቑረጸና ነገር ንጽባሓይቱ፡ ንዓኣ [ራብዓይቲ ተኸሳሲት ላምሮት ከማል] ምኽሳስ ኣይድልይን እዩ እቲ ትፈልጦ ነገር እንተነጊራትና ክትፍታሕ ትኽእል እያ ተባሂሉ መግልጺ ምስ ተውሃበ'ዩ\" ይብል። ሲሳይ፡ ራብዓይቲ ተኸሳሲት ምስ ቕትለት ሃጫሉ ምትሕሓዝ ኣለዋ ኢሉ ከምዝኣምን እዩ ዝገልጽ። እንተኾነ \"ንሳ ከይትሕተት ዝኾነ ተዋስኦ ክስራሕ ጸኒሑ'ዩ\" ይውስኽ። \"እዚ መስርሕ ተዋስኦ እዩ፡ ብድኹማት ሰባት ዝተጻሓፈ ተዋስኦ፡ ድኹማት ሰባት ዝዋስእዎ ድራማ፡ ኣይኮነንዶ ንሕና ሓውና ዝተጎድኣና ዝኾነ ብማዕዶ ኮይኑ ዝዕዘብ'ውን ዝንዕቆ ድራማ እዩ\" ይብል ሲሳይ። \"ሕጂ ዝኽየድ ዘሎ መስርሕ ፍርዲ ኬድካ ኬድካ ናብቲ ቀዳማይ ተከሳሲ ንኽትጥቕለል እዩ ዝግበር ዘሎ\" ስድራ ብምልኡ: ቤት ፍርዲ ዘይሻራዊ ኮይኑ ነቲ መስርሕ ይፍጽሞ ኣሎ ኢሎም ከምዘይኣምኑ ድሕሪ ምግላጽ \"ሰብ ሓቂ ከይሓትት ንኽፈርሕ ንድሕሪት ንኽምለስ ብዙሕ ነገር ተገይሩ እዩ\" ኢሉ። \"ሰብ ዓይኑ እናረኣየ ድራማ ካብ ዝስርሓሉ፡ ገዲፍናዮ ኣለና ኢሎም ነቲ መስርሕ እንተዝገድፍዎ ምሓሸ\" ዝብል ሲሳይ \"ቤት ፍርዲ ካብዚ ጉዳይ ኢዱ የልዕል\" ኢሉ። \"እዚ ክብል እንከለኹ፡ ምሉእ ንምሉእ ነቲ ጉዳይ ገዲፍዎ ይውጻእ ዘይኮነስ ካብዚ ዝካየድ ዘሎ ፖሎቲካዊ ጸወታ ይተኣለ፡ እቲ መርመራ ዘይሻራዊ ብዝኾነ ኣካል ምስ ተመርመረ ቤት ፍርዲ ኸኣ ሻራ ከይሓዘ ይርኣየልና ኢና ንብል ዘለና\" ብምባል መብርሂ ሂቡ። ውሃቢ ቃል ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ ኣቶ ኣወል ሱልጣን ካልኣይን ሳልሳይን ተኸሰስቲ ነብሶም ክከላኸሉ ዝተብሃለሉ ሕጂ'ውን እቲ መስርሕ ፍርዲ ስለዘይተወደአ፡ ምስ ተወደአ ይግባይ ዝሕተቶ እንተኾይኑ ክግበር ከምዝከኣል ኣብሪሁ። ራብዓይቲ ተኸሳሲት ብነጻ ምስንባታ ኣብ ዝምልከት ኸኣ ኣኽባሪ ሕጊ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ይግባይ ኢሉ ቆጸራ ተዋሂብዎ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ። እቲ ትፈታሕ ዝብል ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝተውሃበ ውሳነ ከምዝጸንሕ ተገይሩ ሕጂ'ውን ራብዓይቲ ተኸሳሲት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምእትርከብ ውሃቢ ቃል ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ ኣቶ ኣወል ሱልጣን ይሕብር። ራብዓይቲ ተኸሳሲት ብዛዕባ እቲ ቕትለት ትፈልጦ ነገር እንተሓቢራ ንሳ ኣብ ልዕሊ እቶም ቐንዲ ገበን ዝፈጸሙ ከም ምስክር ኮይና ክትቐርብ ልሙድ ምኳኑን ዓቓቢ ሕጊ'ውን ነዚ ምርኩስ ብምግባር ነቲ መግለጺ ከምዝሃበ ኣቶ ኣወል ሱልጣን ይሕብር። ኣቶ ኣወል ሱልጣን \"እንተኾነ ኣብ መስርሕ መርመራ ንሳ ኣብቲ ቕትለት ኢድ ከምዘለዋ ዘርኢ መርትዖ ስለዝረኸብና ተኸሳሲት ገይርና ናብ ቤት ፍርዲ ኣቐሪብናያ ኢና\" ይብል። ካብዚ ብምብጋስ ኣኽባሪ ሕጊ ንሳ ንኽይትኽሰስ ዝገበሮ ነገር ከምዘየለ ኣቶ ኣወል ሱልጣን ይጠቅስ። ኣብዚ ጸብጻብ ንላምሮት ከማል ወይ'ውን ጠበቓኣ ዘለዎም ሓሳብ ንምምላእ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ኣይሰመረልናን፡ እንተኾነ ኣብ ዝኾነ ግዜ መልሶም ንምቅላሕ ድልዋት ኢና። ፕረዚደንት ናይቲ ንመስርሕ ፍርዲ ዝከታተል ዘሎ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኣቶ ብርሃነመስቀል ዋቅጋሪ ብዛዕባ እቲ ብስድራ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ቀሪቡ ዘሎ ቅሬታ ንቢቢሲ መልሲ ሂቡ ኣሎ። ኣቶ ብርሃነመስቀል፡ እቲ ቤት ፍርድን ነቲ መስርሕ ዝኸታተሉ ዘለዉ ፈራዶን ካብ ናይ ዝኾነ ኣካል ሻራ: ሓራ ኮይኖም ነቲ መስርሕ ይከታተልዎ ከምዘለዉ እዩ ዝገልጽ። እንተኾነ ይብል ኣቶ ብርሃነመስቀል \"እንተኾነ ኣብ ስርዓተ ፍትሒ: ቤት ፍርዲ በይኑ ኣይኮነን ዝሰርሕ፡ ፖሊስ ይምርምር፡ ዓቓቢ ሕጊ ይኸስስ ድሕሪ እዚ እዩ ፍርዲ ዝመጽእ\" ይብል። \"ካብ መጀመርታ ፖሊስ ከመይ እዩ መርመራ ኣካይዱ፡ ዓቓቢ ሕጊኸ በየናይ ኣገባብ እዩ ክሲ መስሪቱ፡ ነቲ ክሲኸ ከመይ እዩ መስሪትዎ ዝብሉ ነገራት ኣለዉ: ኩሉ እዚ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ስለዝረአ እቲ ዝቐርብ ቅሬታታት ናብ ቤት ፍርዲ እዩ ዝመጽእ\" ይብል። ኣቶ ብርሃነመስቀል ብምስዓብ \"ዳኛታት ነጻን ዘይሻራውያንን ኮይኖም ኣብ ሕጊ ተሞርኵሶም'ዮም ስርሖም ዘካይዱ ዘለዉ\" ኢሉ። ራብዓይቲ ተኸሳሲት ላምሮት ብነጻ ምውጻኣ ስድራ ሃጫሉ ንዘቕርብዎ ዘለው ቅሬታ ኣመልኪቱ ኸኣ \"ቤት ፍርዲ ንዝቐረበሉ ነገራት እዩ ዝመዝን፡ ቤት ፍርዲ ነቲ ዝቐረበ መርትዖታት ምርኩስ ብምግባር እዩ ብይኑ ዝህብ ካልእ እንታይ ክገብር ይኽእል?\" ዝብል መልሲ እዩ ሂብሉ። ኣቶ ብርሃነመስቀል ብዛዕባ እቲ መስርሕ መርመራን መስርሕ ፍርድን ናይ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝምልከት ቤት ፍርዲ ዝኾነ ዝቐረቦ ቅሬታ ከምዘየለ ብምሕባር \"ዝኾነ ቅሬታ ወይ ዘይምዕጋብ እንተሃልዩ ሎሚ፡ ጽባሕ፡ ድሕሪ ጽባሕ ኩሉ ግዜ ማዕጾና ርሑው'ዩ\" ኢሉ። ስድራ ሃጫሉ ሁንዴሳ መርመራን መስርሕ ፍርድን ቕትለት ሃጫሉ ብዘይሻራዊ ኣካል ይርኣየልና ምባሎም ብዝምልከት ኸኣ ኣቶ ብርሃነመስቀል \"ቤት ፍርዲ ሓደ እዩ፡ ካልእ ሓዲሽ ዝቐውም ቤት ፍርዲ የለን፡ ኣብዚ ዘሎ ቤት ፍርዲ እምነትና ከነላሕልሕ የብልናን\" ኢሉ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56770030"} {"headline":"ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ፡ ኣመራርሓ ዞባ ዝርከቦም 5 ሰባት ብዕጡቓት ተቐቲሎም","content":"ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ነበር ሓዊሱ፡ ሓሙሽተ ሰራሕተኛታት ብዕጡቓት ከምዝተቐተሉ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ገሊጾም፡፡ እቶም ሓሙሽተ ሰባት ብቐዳም ካብ ወረዳ ቆንዳላ ናብ መንዲ እናተጉዓዙ እናሃለዉ ከምዝተቐተሉ ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ኣቶ ኤልያስ ኡመታ ንቢቢሲ ሓቢሩ፡፡ ንሱ፡ ነቶም ንስራሕ እናተጉዓዙ ዝነበሩ ሓላፊ ጸጥታ እቲ ዞባ ነበር ኣቶ ዋቅጋሪ ቀጄላን መሳርሕቱን ዝቐተሉ ዕጡቓት ‘‘ንባዕሎም ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኢሎም ዝጽውዑን ኣብ ቀረባ መንግስቲ ግብረ ሽበራውያን ኢሉ ዝሰየሞምን ዕጡቓት ሸኔ እዮም’’ ኢሉ። ቅድሚ ሓደ ሰሙን ሓደ ጋዜጠኛ መራኸቢ ሓፋሽ እቲ ክልል ‘ኣባ ቶርበ’ ብዝተባህለ ጉጅለ ምስተቐተለን ኣባል እቲ ጉጅለ ነይሩ ዝተባህለ መንእሰይ ብሓይሊታት ጸጥታ ኣብ ኣደባባይ ምቕታሉን ስዒቡ እዩ፡ ዜና ሞት እዞም ግዳያት ተሰሚዑ ዘሎ፡፡ ኣቶ ኤልያስ ከምዝገለጾ፡ እቶም ብቐዳም ዝተቐተሉ ሓሙሽተ ሰባት ኣብ ክልተ መኪና ኮይኖም እናጉዓዙ እናሃለዉ እዩ እቲ መጥቃዕቲ ተፈጺምዎም፡፡ ካብቲ ኣመራርሓ ብተወሳኺ፡ ሓደ መራሒ መኪና፣ ነቲ ኣመራርሓ ንምሕላው ሓቢሮምዎ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ክልተ ኣባላት ሚልሻን ሓደ ኣባል ፖሊስ ኦሮምያን ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ፡፡ ስነስርዓት ቀብሪ እቲ ሓላፊ ጸጥታ ነበር ብሰንበት ከምዝተፈጸመ ዝገለጸ ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ኣቶ ኤልያስ፡ ምስቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ሰብ ከምዘየለ ሓቢሩ፡፡ ብተወሳኺ እቶም ሓሙሽተ ሰባት፡ ክልላት ኦሮምያን ቤንሻንጉልን ኣብ ዘዋስን ከባቢ ከምዝተቐተሉ ብምጥቃስ፡ ነቶም ገበነኛታት ንምሓዝ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ፍተሻ የካይዱ ከምዘለዉ እቲ ኣመሓዳሪ ገሊጹ፡፡ ኣቶ ዋቅጋሪ ቅድም ክብል ሓላፊ ቢሮ ጸጥታን ሰላምን ዞባ ምዕራብ ወለጋ ኮይኑ ዘገልገለ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ኣመሓዳሪ ወረዳን ከንቲባ ከተማን ኮይኑ እውን ሰሪሑ፡፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ድማ ሓላፊ በዓል ስልጣን መንገዲታት ዞባ ኮይኑ እናገልገለ ከምዝነበረ ኣቶ ኤልያስ ገሊጹ፡፡ ንሱ ‘‘ህርኩትን ብህዝቢ እቲ ካባቢ ተቐባልነት ዝነበሮን’’ ክብል እዩ ዝገልጾ፡፡ ኣቦ ኣርባዕተ ቆልዑት ዝነበረ ኣቶ ዋቅጋሪ፡ ናይ ካልኣይ ዲግሪ ትምህርቱ ዛዚሙ ንምረቓ ቀሪቡ ከምዝነበረ እውን ኣቶ ኤልያስ ሓቢሩ፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት፡ ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት፡ ዕጡቓት ብዝፍጽምዎም ተደጋገምቲ መጥቃዕቲታት፡ ካብ ኣመሓደርትን ሓይልታት ጸጥታን ብተወሳኺ፡ ብዙሓት ሰባት ከምዝተቐተሉ ክጽብጸብ ጸኒሑ እዩ፡፡ ቅድም ክብል ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ካብ ዝነበረ ውድብ ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ) ተነጺሉ ዝወጸ፡ ንባዕሉ ‘ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ’ ኢሉ ዝጽውዕን መንግስቲ ‘ሸኔ’ ኢሉ ዝጽወዖን ጉጅለ ምስዞም መጥቃዕቲታት ተተሓሒዙ ሽሙ ብተደጋጋሚ ክለዓል ጸኒሑ፡፡ በዚ ምኽንያት ቅድሚ ውሑዳት ሰሙናት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነቲ ጉጅለ ግብረ ሽበራዊ ኢሉ ከምዝሰየሞ ይዝከር፡፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ እዚ ዓመት ጥራሕ 18 ሰበስልጣን መንግስቲ፣ 112 ኣባላት ፖሊስን 42 ሚልሻታትን ከምዝተቐተሉ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዕላዊ ገይሩ እዩ፡፡","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57153960"} {"headline":"ኣብ ጋምቤላ፡ \"ደቂ 11ን 12ን ዓመት ሰገናት ተኣሲሮም ረኺብና\" -ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት","content":"ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ጋምቤላ ዘሎ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ህፁፅ ቆላሕታ ከምዘድልዮ ገሊፁ። እቲ ኮምሽን ሎሚመዓልቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ኣብቲ ክልል ኣታሕዛ እሱራት ክመሓየሽን ተቓወምቲ ውድባት ፖለቲካ ብነፃነት ናይ ምንቅስቓስ መሰሎም ክኽበር ይግባእ ኢሉ። እቲ ኮምሽን ኣብ ጋምቤላ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት፡ ኣባላት ኦነግ ሸኔ ብዝብል ተጠርጢሮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ደቂ 11 ን 12 ዓመት ሰገናት ደቂተባዕትዮ ከምዝተዓዘበን፡ ኩነታቶም ከምዘሻቐሎምን ገሊፁ። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰገናት መውቃዕቲ ተፈፂሙ እዩ ዝበለ እቲ ኮምሽን፡ ብቅልጡፍ ክፍትሑን እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈፀመ “መጥቃዕቲ” ክፃረይን፡ ንምምሕዳር እቲ ክልል ምሕታቱ ሓቢሩ። እቲ ኮምሽን ብኣብዝሓ ተጋሩ ዝኾኑን ንህወሓት ደጊፍኩም ብዝብልን ጥርጣረ፡ ኣብ ከተማ ኣቦቦ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ 20፡ ኣብ ከተማ ጋምቤላ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ድማ፡ 70 ሰባት ተኣሲሮም ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ። እዞም ተጠርጠርቲ ካብ ዝሓለፈ 5 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ዝሓበረ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ፡ ዛጊድ ብፖሊስ ፌደራል ኮነ ክልል ስራሕቲ ምርመራ ከምዘይተጀመረ ኣፍሊጡ። እቶም ጥርጡራት ናይ ዋሕስ መሰሎም ክኽበርን፡ ፖሊስ ድማ ብቅልጡፍ ናይ ምርመራ ስርሑ ክጅመርን፡ ንምምሕዳር እቲ ከባቢ ከምዝሓተተ እቲ ኮሚሽን ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ። እዚ መግለፂ ወግዓዊ ክሳብ ዝኾነሉ ግዘ፡ ብኦነግ ሸኔ ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ኮነ ንህወሓት ደጊፍኩም ተባሂሎም ዝተኣሰሩ ውልቀሰባት፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝርከቡ እቲ ኮምሽን ገሊፁ። ዋና ኮምሽነር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዳንኤል በቀለ (ዶ\/ር)፡ “ዋላ’ኳ ቆላሕታ መንግስቲ ጋምቤላ ዝጠልቡ ብዙሓት ጉዳያት ከምዘለዉ ዝፍለጥ እንተኾነ፡ መሰል ዋሕስ እሱራት ህፃናት ምርግጋፅ ብጣዕሚ ዓብይ ትኹረት ዘድልዮ እዩ” ኢሉ። ውድባት ተቓውሞ ኣብ'ቲ ክልል ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት፡ ንተቓወምቲ ውድባት ፖለቲካ ከምዘዘራረበ ዝሓበረ እቲ ኮምሽን፡ ዋላ’ኳ ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ውድባት ፖለቲካ ሰነድ ስነ ምግባር መረፃ እንተፈረሙ፡ ብነጻነት ክሰርሑ ከምዝተጸገሙ ምዝራቦም ኣብቲ ጸብጻቡ ኣካቲቱ። ቤት ፅሕፈት መሰል ኣገልግሎትን ንምርካብ፣ ኣብ ፍሉይ ከባብታት እቲ ክልል ተንቀሳቒሶም ንምስራሕን፡ ናይ ውድቦም ምድላው ንምግባርን፡ ከምዝንከላበቱ፣ ኢሉ’ውን ኣብ ልዕሊ ኣባላቶም መሐነይታን ምፍርራሕን ኢሉ’ውን ማእሰርቲ ከምዝተፈፀመ፡ ከምዝገለፅሎም እቲ ኮምሽን ሓቢሩ። ኮምሽነር እቲ ኮምሽን ዳንኤል በቀለ፡ “ሃገራዊ መረፃ ይቐርብ ስለዘሎ፡ ነዚጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ እቲ ክልልን ፌደራልን፡ ኩሎም ውድባት ፖለቲካ ብሙሉእ ነፃነት ናይ ምንቅስቓስ መሰሎም ክውሕሱ ይግባእ” ኢሉ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55795724"} {"headline":"ኦሮሚያ: ኣብ ከተማ ደምቢዶሎ ብሓይልታት ጸጥታ ‘ኣብ ቅድሚ ህዝቢ’ ዝተቐትለ መንእሰይ መን እዩ?","content":"ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ከተማ ደምቢደሎ \"ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣብ ቅርዓት\" ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተቐትለ ዝተነግረሉ መንእሰይ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ \"ዝኾነ ዓይነት ይኹን\" ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ሽበራ ዝፈጥሩ ክውሰድ ኣለዎ ኢሉ። ኣብዚ ሰሙን'ዚ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ፡ ዞባ ቄለም ወለጋ፡ ከተማ ደምቢዶሎ፤ ኣማኑኤል ወንድሙ ዝተብሃለ መንእሰይ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብሓልታት ጸጥታ መንግስቲ ከምዝተቐትለ ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም ነይሮም። ሓላፊ ኮሚኒኬሽን ናይቲ ክልል ኣቶ ጌታቸው ባልቻ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ \"ኣብ ከተማታት ሰባት ብምቕታል ህዝቢ ምሽባር ናቶም ዕለታዊ ተግባር እዩ\" ብምባል \"ስጉምቲ\" ክውሰደሎም ኣለዎ ኢሉ። \"ንሳቶም ዝገብርዎ ምቕታል'ዩ። ሰላም ንምኽባር ዝልኣኽ ሓይሊ፡ ነዞም ኣካላት እዚኣቶም ኣቃሊዑ፡ ስጉምቲ ወሲዱ ክቆጻጸሮም ይግባእ ዝብል እምነት ኣለኒ። \"ስለዚ፡ እንታይ ዓይነት ይኹን ብዘየገድስ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ፡ ህዝቢ ብምሽባር፡ ኣፈራሪሑ ክቆጻጸር'የ ዝብል ሓይሊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ\" ኢሉ። ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ናይቲ መንእሰይ ምቕታል ብምርግጋጽ፡ \"እቲ መንእሰይ ብህዝቢ ክረአ ተገይሩ 'ምበር ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣይኮነን ዝተቐትለ\" ምባሎም ይዝከር። እቶም ሰብመዚ፡ መንእሰይ ኣማኑኤል ኣባል 'ኣባ ቶርቤ' ስለዝኾነ እዩ ስጉምቲ ተወሲድዎ'ዮም ዝብሉ። ቤት ጽሕፈት ኮምኒኬሽን'ታ ከተማ ብወገኑ፤ \"እቲ መንእሰይ ኣባል 'ኣባ ቶርቤ' ዝተባህለ ጉጅለ ኾይኑ ሰባት ይቕንጽል ዝነበረ ብምዃኑ፤ ስጉምቲ ተወሲድሉ\" ክብል ኣብ ፌስቡክ ገጹ ለጢፉ ኣሎ። እቲ ቤት ጽሕፈት፡ እቲ መንእሰይ ቅድሚ ምቕታሉ፡ ኣብ ፌስቡክ ገጹ፡ ብዛዕብኡ ዘርኢ ቪድዮ ለጢፉ ነይሩ። ኣብቲ ከባቢ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ፡ 'ግብረ ራዕዲ' ተባሂሉ ዝተበየነ ጉጅለ ሸኔ፡ ከምዝንቀሳቐስ ይዝረብ። እቲ ጉጅለ ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ፤ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ብምፍጻም እዩ ዝኽሰስ። ኣቶ ጌታቸው ከምዝብሎ፡ \"ሰብ ኣብ ቤቱ፡ ኣብ መረበቱ'ዩ ዝቕተል ዘሎ። ኣብ ዘይፈልጦ ነገር'ዩ ዝመውት ዘሎ። ኣብ ልዕሊ'ቶም ከምዚ ዓይነት ተግባር ዝፍጽሙ ዝውሰድ ስጉምቲ፡ ነቲ ንሶም ዝፍጽምዎ ዝመጣጠን ክኸውን ኣለዎ።\" ኣብቲ ኣብ ፌስቡክ ዝተለጠፈ ቪድዮ፡ እቲ መንእሰይ ቅድሚ ምቕታሉ ንዝቐርብሉ ሕቶታት መልሲ ክህብ ይረአ። እቲ ቪድዮ ዝቐርጽ ውልቀሰብ'ውን፡ ናይቲ መንእሰይ ስምን ዝተወለደሉ ዓድን ክሓቶ ይስማዕ። ኢዱ ናብ ድሕሪት ኩርንኩሪት ዝተኣሰረ እቲ መንእሰይ፡ ኣብ ክሳዱ ሽጉጥ ኣንጠልጢሉ ይረአ። ኣብ እግሩን ዙርያኡን ድማ ደም ዝረአ ኾይኑ፤ ክዳኑ ብጭቃ ተዓያዪኑ እዩ ዝረአ። እቲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ጠጠው ኢሉ ዝረአ መንእሰይ፡ ስሙ ኣማኑኤል ወንድሙ ከምዝበሃልን ወዲ ደምቢደሎ ከምዝኾነን ይዛረብ። ዙርይኡ ድማ፡ ብናይ መንግስቲ ወተሃደራዊ ክዳን ዝተኸድኑ ተኸቢቡ ይረአ። እቲ መንእሰይ ንምንታይ እዩ ተቀቲሉ? ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮምኒኬስን እታ ከተማ፡ ከምዝብሎ፡ እቲ መንእሰይ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ብምቕታል ዝፍለጥ 'ኣባ ቶርቤ' ዝተብሃለ ስዉር ጉጅለ ኣባል እዩ። ትማሊ ኣብ ቀይዲ ቅድሚ ምውዓሉ፡ ንጎሆ ገመቹ መንገሻ ዝተብሃለ ብጥይት ወቒዑ ከምልጥ ክብል 'ብሓይልታት ጸጥታ ብርቱዕ ርብርብ' ከምዝተትሓዘ ተዛሪቡ። ገመቹ መንገሻ ኣብቲ ከባቢ በዓል ሃብቲ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ከተማ ደንቢዶሎ ጋዜጠኛ፡ ብሮድካስቲን ኔትዎርክ ኦሮሚያ ዝኾነ፡ ሲሳይ ፊዳ ዝተቀትለ በቲ ጉጅለ ምዃኑ ተዛሪቡ። ስሞም ከይጽራሕ ዝደለዩ ነባሪ ደንቢደሎ፡ እቲ መንእሰይ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክቕተል ከምዝረአዩ ንቢቢሲ መስኪሮም። \"ኣማኑኤል ህዝቢ ዝፈትዎ ቆልዓ እዩ ነይሩ\" ምስ ተታሕዘ ብጥይት ተወቒዑ \"ክቕንጸል ብዓይንና ሪእና\" ኢሎም። ንሶም ከምዝብልዎ፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኣብቲ ከባቢ ይንቀሳቐሱ ከምዝነበሩን፡ እቲ መንእሰይ ናብ ሓደ እንዳ ድንኳን ኣትዩ ኣቕሓ ከምዝተታሕዘን ሓቢሮም። ካብኡ ብተወሳኪ ድማ፤ ካልኦት ክልተ ደቂ እቲ ከባቢ፤ ብጥይት ተወቐዖም ንሕክምና ናብ ማእከል ጥዕና ከምዝተወስዱ ተዛሪቦም። ሓለፊ ጸጥታ ዞባ ቄለም ወለጋ፡ ኣይተ ተሰማ ዋርዮ ግን፡ እቲ መንእሰይ ቆሲሉ ምስተትሓዘ ኣብ ኣዳባበይ ህዝቢ ክሪኦ ተገይሩ ምንበር ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣይተቐትለን ኢሎም። \"ገበነኛ ምዃኑ ተረጋጊጹ እዩ\" ዝበለ እቲ ሓላፊ፡ ክልተ ሰባት ብጥይት ወቒዑ እንተምልጥ እዩ ተወቒኡ ተታሒዙ'ውን ኢሉ። ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረበ ስለምንታይ ስጉምቲ ተወሲድዎ ንዝብል ሕቶ፡ 'እቲ መንእሰይ ገበነኛ ምዃኑ ተረጋጊጹ እዩ' ዝብል መልሲ ካብ ምሃብ ወጻኢ ዝበሎ የለን። ብዛዕባ እዚ ካልኦት ሰበ ስልጣነት ንምዝራብ ዝገበርናዮ ፈተና ኣይሰለጠን። ኣቶ ተሰማ ኣብ ደምቢዶሎ ከባቢ ኣብዚ ሰሙን፡ ኣብ መንጎ ኦነግ ሸኔን ሓይልታት መንግስቲ ተኽሲ ከምዝነበረ፡ እቲ ኣብ ክሳዱ ዝተንተልተለ ሽጉጥ ሰብ ስልጣናትን ሰላማውያን ሰባትን ዝቐትለሉ ዝነበረ እዩ ኢሉ። ቢቢሲ ናይቲ ዞባ ፖሊስ ኣዘራሪቡ ዝረኸቦ ምላስ ምስቲ ናይ ኣቶ ተሰማ ምላሽ ሓደ ዓይነት እዩ። 'ኣባ ቶርቤ' ዝብል ናይ ኦሮምኛ ቃል ኮይኑ፡ በዓል ሰሙን ማለት እኡ። እቲ ጉጅለ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኦሮምያ ዝንቀሳቐስ፡ ሰራዊት ሓርነት ህዝቢ ኦሮሞ እናበለ ምስ ዝጽውዕ ኣካል ርክብ ከምዘለዎ እዝረብ። ቅድም ክብል፡ ሓላፊ ምምሕዳርን ጸጥን ክልል ኦሮምያ ዝኾነ፡ ኣቶ ጀብሪል መሓመድ፤ \"እቲ ጉጅለ ናይቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ሸኔ ናይ ከተማ ስርዒት እዩ\" ኢሉ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ። ኣብ ከተማ፡ 'ሶንሳ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጉጅለ ኣለዎ። እቶም ጉጅለታት ራዕዲ ንምፍጣር ቅትለት ዝፍጽሙን ዝውድቡን እዮም ተባሂሎም። ኣቶ ጅብሪል መሓመድ ከምዝብሎ እንተኾይኑ፡ ኣባላት እዚ ጉጅለ ዝተፈለየ ስልጠና ኾነ ዕጥቂ የብሎምን። እቲ ዝጥቀምሉ መይላ፡ ነቲ ሕብረተሰብ መሲሎም ነቲ ዝደለዩዎ ሰብ ኣጸንቲዮም ጸኒሖም ብምጥቃዕ ብምስዋር እዩ' ኢሉ። ሓለፊ ቢሮ ኮምኒኬሽን፡ ኣባ ቶርቤ፡ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ልዕሊ ሰብ ስልጣን መንግስቲ፣ ኣባላት ሓይልታት ጸትታ፣ ከምኡ'ውን ሰላማዋያን ሰባት ብተደጋገሚ መጥቃዕቲ ከብጽሕ ምጽንሑ ገሊጹ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57053718"} {"headline":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተፈጠረ ጎንጺ 80 ሽሐ ሰባት ተመዛቢሎም","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባታት ሰሜን ሸዋን ፍሉይ ዞባ ኦሮምያን፡ ዝተፈጠረ ጎንጺ ልዕሊ 80 ሽሕ ሰባት ከም ዝተዘናበሉ ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ተዛሪቦም፡፡ እቲ ጎንጺ ብቀንዲ ካብ ዝተኻየደሎም ከባቢታት ሓደ ኣብ ዝኾነ ፍሉይ ዞባ ኦሮምያ፡ ወረዳ ጅሌ ጥሙጋ 40 ሽሕ ሰባት ካብ መንበሪኦም ከም ዝተፈናቐሉ ኣመሓዳሪ እታ ወረዳ ኣቶ ጀማል ሓሰን ንቢቢሲ ገሊጹ፡፡ ‘‘ብመሰረት እቲ ዛጊድ ኣብ ኢድና ዝኣተወ መረዳእታ፡ 67 ሰባት ከም ዝሞቱን 114 ሰባት ከምዝቖሰሉን ከምኡ'ውን ኣብታ ወረዳ ኣብ ዝርከባ ሸሞንተ ጣብያታት 815 ገዛውቲ ከም ዝተቓጸሉን ክንፈልጥ ክኢልና ኣለና’’ ኢሉ። ቅድም ክብል ጉድኣት ዝበጸሖም ሰባት ናብ ሆስፒታል እንትውሰዱ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ስለ ዝተፈጸሞም፡ መብዛሕተኦም ጉዱኣት ኣብ ገዝኦም ከም ዝተረፉን እኹል ሕክምና ከም ዘይረኸቡን እውን ሓቢሩ። ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜን ሽዋ ኣቶ ታደሰ ገብረጻዲቕ ብወገኑ፡ ኣብቲ ዞባ ብዝሒ ዝተፈናቐሉ ሰባት 41 ሽሕ ከምዝበጽሕ ክገልጽ እንከሎ፡ \"ክንደይ ሰባት ከም ዝሞቱ ንምፍላጥ ግን ይጽናዕ ኣሎ\" ኢሉ፡፡ ክሳብ ሕዚ 41 ሽሕን 625 ሰባት ከም ዝተፈናቐሉ መረዳእታ ከም ዘለዎም ዝገለጸ ኣቶ ታደሰ፡ ናብ ኣዝማዶም ዝኸዱን ናብ ካልእ ከባቢ ዝሃደሙን ስለ ዝህልዉ፡ እቲ ቑጽሪ ካብቲ ዝተገልጸ ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ተዛሪቡ። ካብ ወረዳ ጅሌ ጥሙጋ ዝተፈናቐሉ ሰባት ዛጊድ ዝኾነ ሓገዝ ከም ዘይረኸቡ ዝገልጽ ኣቶ ጀማል ብወገኑ እቶም ሓረስቶት ንሓድሕዶም ይተሓጋገዙ ከም ዘለዉ ሓቢሩ፡፡ ብተወሳኺ፡ እቶም ዜጋታት ኣብ ኣብያተ ትምህርትን መሳጊድን ተበታቲኖም ከም ዘለዉን፡ ሰበስልጣን እቲ ክልል ኮነ ፌደራል ኩነታት እቶም ተፈናቐልቲ ንምርኣይ ናብቲ ከባቢ ከም ዘይመጹን ገሊጹ፡፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜን ሽዋ ብወገኑ፡ ካብቲ ዞባ ዝተፈናቐሉ ዜጋታት ኣብ ደብረ ብርሃን፣ ኣጣዬ፣ ኤፍራታ፣ ሸዋ ሮቢት፣ ገንደ ውሃን ካልኦትን ከም ዘለዉ ብምግላጽ ነቲ ጎንጺ ፍታሕ ንምርካብን እቶም ተመዛበልቲ ሓገዝ ክረኽቡን ይሰርሑ ከም ዘለዉ ተዛሪቡ፡፡ ብተወሳኺ ኣብ ሸዋ ሮቢት፣ ኣጣየን ኤፍራታን ንተፈናቐልቲ ሓገዝ ይግበር ከም ዘሎን፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ግን ሐዚ እውን ተኹሲ ይስማዕ ስለ ዘሎ እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ስግኣት ኣሎ ኢሉ። ብፍላይ እቲ ሕብረተሰብ ዘላቒ መፍትሒ ከም ዘድልዮ ኣቶ ታደሰ ይገልጽ፡፡ ብምክንያት እቲ ጎንጺ ተቛሪጹ ዝነበረ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ናብ ንቡር ተመሊሱ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56590558"} {"headline":"ንብረትን ገንዘብን ኣባላት 'ኣሸበርቲ' ተባሂሎም ናይ ዝተበየኑ ጉጅለታት ተኣጊዱ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ንብረትን ገንዘብን ኣባላትን ደገፍትን ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ፡ 'ፈጠርቲ ራዕዲ' ኢሉ ናይ ዝበየኖም ጉጅለታት፡ ከይንቀሳቐስ እገዳ ከምዘንበረ ኣፍሊጡ። ሃገራዊ ሓበራዊ ሓይሊ-ዕማም ድሕነትን ጸጥታን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቋሚ ንብረት ናይ 19 መራሕትን ኣባላትን ህወሓት፡ ከምኡ'ውን መንግስቲ ሸኔ እናበለ ዝጽወዖ ጉጅለ ይድግፉ እዮም ናይ ዝተብሃሉ 141 ውልቀሰባት ገንዘብ ከምዝተኣገደ ገሊጹ። እቲ ሓይሊ ዕማም፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስ ህወሓት ተሰሊፎም ዝበሎም ውልቀሰባት፡ ብስርቅን ጉሕለትን ኣብ ኣዲስ አበባን ብዙሕ ንብረት ከምዝውነኑ ብምኽሳስ፡ ፈጸሞምዎ ብዝበሎም ገበን 'ክሕደት ሃገር'፡ ኣብ ቀይዲ ንክውዕሉ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ከምዝወጽኦም ወሲኹ ሓቢሩ። እቶም ውልቀሰባት፡ ኣብ ኣዲስ አበባ ዝርከቡ መንበሪ ህንጻታትን ትካላት ንግድን፡ ብዘመድ ኣዝማዶምን ብወኪላታቶምን ኣቢሎም እናካረዩ ዝረኽብዎ ኣታዊ 'ንመግዝኢ ኣጽዋር ውግእን ጠያይትን ከምዝውዕል' ኣመልኪቱ። እቲ ሓይሊ ዕማም ወሲኹ'ውን፡ እቲ ንብረት ብምሻጥ ገንዘብ ንምውጻእ ከምዝተፈተነን እዚ ብዝምልከት ናብ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ መረዳእታት ብምቕራብ፡ ዝተነብረ እገዳ ተፈጻሚ ከምዝተገብረ ተገሊጹ። ኣብ ልዕሊ ንብረቶም እገዳ ካብ ዝተነብረሎም 19 ኣባላትን ኣመራርሓን ህወሓት፡ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ፣ ሌተናል ጀነራል ፍስሃ ኪዳኑ፣ ሜጀር ጀነራል አበበ ተ\/ሐይማኖት፣ ሜጀር ጀነራል ሓለፎም እጅጉ፣ ሜጀር ጀነራል ተስፋዬ ግደይ፣ ብርጋዴር ጀነራል ኃይለሥላሰ ግርማይ፣ ብርጋዴር ጀነራል ምግበይ ሃይለን ብርጋዴር ጀነራል ተኽላይ አሸብርን ይርከብዎም። ካብዚ ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኣብ ገለ ከባብታት ኦሮምያ ይንቀሳቐስ ኢሉ ዝኸሶን ሸኔ እናበለ ዝጽወዖን፡ ንባዕሉ ግን 'ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ' ኢሉ ንዝጽውዕ ጉጅለ ይድግፉ እዮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 141 ውልቀሰባት፡ ገንዘቦም ከይንቀሳቐስ ከምዝተኣገደ ኣፍሊጡ። ሃገራዊ ቤት ምኽሪ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ፡ ካብ ስልጣን ብሓይሊ ዝተኣለየ ህወሓትን፡ መንግስቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ንዝፍጸሙ መጥቃዒቲታት ብድሕሪት ኮይኑ ዘፈጽም ኢሉ ንዝኸሶ 'ሸኔን'፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት፡ 'ፈጠርቲ ራዕዲ' ብዝብል ምብያኑ ዝዝከር እዩ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57304032"} {"headline":"ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ሰሜን ሽዋን ፍሉይ ዞባ ብሄረሰብ ኦሮሞን ዕጥቂ ሒዝካ ምንቅስቓስ ተኸልኪሉ","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ሰሜን ሽዋ፡ ንመዓልታት ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተጣየሸ ማእከል እዚ፡ ኣብ ገለ ጸገም ጸጥታን ድሕነት ዘለዎም ከባቢታት እቲ ክልል ዕጥቂ ሒዝካ ምንቅስቓስ ከም ዝኸልከለ ምክልኻል ሃገር ኣፍሊጡ። ምክልኻል ሃገር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ብፍላይ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ክልል ኣምሓራ ዘሎ ጸገም ጸጥታ ንምህዳእ ሓይሊ ዕማም ከም ዝተጣየሸ ሓቢሩ። ኣብቲ ክልል፡ ኣብ ዞባታት ሰሜን ሽዋን ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ዝርከብ ፍሉይ ዞባ ብሄረሰብ ኦሮሞን ኣብ ዝርከቡ ገለ ወረዳታት ጎንጺ ክለዓል ቀንዩ'ዩ። ብፍላይ ኣጣዬ ኣብ ዝተባህለት ከተማን ከባቢአን ዕጡቓት ሓይልታት ብዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን፡ ዕንወት ከም ዘብጽሐ ኣፍሊጡ ኣመልኪቱ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ እቲ ኣብቶም ከባቢታት ዝቖመ ሓድሽ እዚ ብፍላይ ካብ ደብረሲና ናብ ኮምቦልቻ ኣብ ዘሎ መስመር ኣብ ዝርከቡ መዋስንቲ ወረዳታት፡ ካብ ዋና መንገዲ ንየማንን ጸገማን ክሳብ 20 ኪሎ ሜትሮ ዕጥቂ ሒዝካ ምንቅስቓስ ከም ዘይከኣል ኣጊዱ። ብተወሳኺ ኣብቲ ከባቢ፡ መንገዲ ምዕጻው፣ ትካላት ሃይማኖታዊ ኮነ መንግስታዊ ትካላት ከምኡ'ውን ናይ ውልቀሰባት መንበሪን ንብረትን ምዕናውን 'እዚ ተግባር ንምፍጻም ብውልቀ ኾነ ብጉጅለ ምንቅስቓስን' ዝተኸልከለ ምዃኑ'ውን ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ። ኣብዚ ዕግርግር ዝተላዕለሉ ከባቢ፡ እቲ ሓይሊ ዕማም ምርግጋዕ ንምፍጣር ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ እዋን፡ ነቶም ዝተነበሩ እገዳታት ጥሒሱ ዝተረኽበ ዝኾነ ይኹን ኣካል ድማ ስጉምቲ ከም ዝውሰዶ ተገሊጹ። ካብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ሽዋ ዝርከቡ ኣጣዬ፣ ካራቆሬ፣ ሽዋሮቢት፣ ማጀቴ፣ ኣላላና ኣንጾኪያን ኣብ ዝተብሃሉ ሓሙሽተ ወረደታት፡ ብዕጡቓት ሓይልታት ከቢድ ጉድኣት ምብጽሑ ሰብ ስልጣን እቲ ክልል ንመራኸቢ ብዙሃን መንግስቲ ገሊጾም። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ እቲ ከባቢ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሎም ከባቢታት ብዙሓት ሰባት ከም ዝተጎድኡን መንበሪ ኣባይቲ ተቓጺሎም ንብረት ከምዝዓነዉን ሓቢሮም። ሽሙ ክግለጽ ፍቓደኛ ዘይኮነ ሓደ ነባሪ ሽዋ ሮቢት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ እቲ ጎንጺ ቀዳም ንጉሆ ዝጀመረ ኮይኑ \"ኣብ ኣርባ ኣምባን ብርጭቆን ዝተባህሉ ዓድታት ሰብ ሃሊቑ\" ክብል ገሊጹ። ንገዛእ ርእሱ ካብቲ ከባቢ ሃዲሙ ከም ዝወጽአን'ውን ይዛረብ። በቲ ዝተወሰደ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባትን ናይ መንግስቲ ኣኽበርቲ ጸጥታን ከም ዝተቐተሉ ዝሓበረ ምንጪ ቢቢሲ፡ መንግስቲ ድሕነት ሰላማውያን ዜጋታት ከኽብር ተማሕጺኑ'ሎ። ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረባ ነባሪት ኣጣየ ብምኽንያት እቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ መጥቃዕቲ: መንግስቲ ፌደራል ዝለኣኾም ኣኽበርቲ ጸጥታ ናብቲ ከባቢ ስለ ዝኣተዉ ቅሩብ'ኳ ተረጋጊዖም እንተነበሩ፡ ዳግማይ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ምውራዱ ከም ዘሕዘና ገሊጻ። ንገዛእ ርእሳ ስድርኣ ሒዛ መሃል ሜዳ ተባሂሉ ናብ ዝፍለጥ ዓዲ ትመዛበል ከም ዘላን እቲ ጎንጺ ስለ ዘይሃድአ ዳርጋ ኩሉ ነባሪ ከተማታት ደብረብርሃንን መሃል ሜዳን ይግዕዝ ከም ዝነበረን ተዛሪባ። ናብታ ከተማ ጸጥታ ከኽብር ዝኣተወ ሓይልታት መንግስቲ ፌደራል እቲ ኩነታት ልዕሊ ዓቕሙ ስለ ዝኾነ ኣብታ ከተማ ባርዕ ከም ዝነበረ'ውን ሓቢራ። ሓላፊ ጉዳያት ጸጥታ ዞባ ሰሜን ሽዋ ኣቶ ኣበራ መኮነን፡ \"ኩሉ ነገር ካብ ቁጽጽርና ወጻኢ ኮይኑ'ሎ\" ድሕሪ ምባል ህዝቢ ናይ ምርግጋዕ ስራሕቲ ይገብር ከምዘሎ ሓቢሩ። ብዛዕባ እቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ግን ዝሃቦ ዝርዝር መብርሂ የለን። ነበርትን ሰበ ስልጣን እቲ ክልልን፡ ነቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ን'ኦነግ-ሸኔ' ዝበሃል ዕጡቕ ሓይሊ እዮም ተሓታቲ ዝገብሩ። ኣብቲ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ዞባ ሰሜን ሽዋ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ: መንግስቲ ዝሃቦ ወግዓዊ መረዳእታ'ኳ እንተዘየሎ ትካል ሓባሲ ንብዓት ኣብ ዘውጽኦ መረዳእታ ግን ልዕሊ 300 ሰባት ከም ዝሞቱ ይግለጽ። ናይ ኦሮምያን ኣምሓራን ውድባት ብልጽግና፡ ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንሓድሕዶም ክካሰሱ ተራእዮም።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56798298"} {"headline":"ህወሓትን 'ሸኔን' ብግብረ ሽበራ ምብያን እንታይ ትርጉም ኣለዎ?","content":"ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ፡ ብመሰረት ዓንቀጽ 77 ሕገ መንግስቲ ሂቡኒ ብዝበሎ ስልጣን ህወሓትን 'ሸኔን' ግብረ ሽበራውያን ተባሂሎም ክብየኑ ዘቕረቦ ውሳነ ሓሳብ ናብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ክልእኽ እዩ፡፡ ንምዃኑ ንሓደ ጉጅለ ግብረ ሽበራዊ ኢልካ ምስያም ንምንታይ የድሊ? መንግሰቲ ዝተፈላለዩ ናይ ገበን ተግባራት ንምክልኻል ዝርዝር ክትትል ምግባር ዘይክእለሉ ኩነታት እንትፍጠር፡ ንሓደ ጉጅለ ግብረ ሽበራዊ ኢሉ ክስይሞ ከም ዝኽእል በዓል ሞያ ሕጊ ዶክተር ኣባድር ኢብራሂም ይገልጽ። እቲ በዓል ሞያ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ተመሓይሹ ዝጸደቐ ሕጊ ግብረ ሽበራ ኣብ ምርቃቕ ዝተሳተፈን መራሒ ቤት ጽሕፈት ኣማኻሪ ጉባኤ ዓቃቢ ሕግን'ዩ። 'ናይ ፖለቲካ፣ ሃይማኖት ወይ ስነ ሓሳብ ንምስጓም ብምሕሳብ፡ ንህዝቢ ወይ ንዝተወሰነ ክፋል ሕብረተሰብ ንምርዓድ ተሓሲቡ ዝተፈጸመ ተግባር እንተኾይኑ፡ \"ሽበራዊ\" ከም ዝብሃል የብርህ። \"መንግስቲ፣ ናይ ወጻኢ ሃገር መንግስቲ ወይ ዓለም ለኻዊ ትካላት ምግዳድ፣ ህይወት ንሓደጋ ምቅላዕ፣ ናይ ኣካል ጉድኣት ምብጻሕ፣ ምዕጋት ወይ ምጭዋይ፣ ንብረትን ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ምትዕንቓፍን'' ዝብሉ ሓዊሱ ዝተቐመጡ ሓሙሽተ ክልከላታት ተጣሒሶም እንትርከቡ ናይ ግብረ ሽበራ ገበን ይገልጹ ይብል፡፡ ብተወሳኺ ሓደ ጉጅለ ነዞም ተግባራት ዕላምኡ እንተገይሩ፣ ኣመራርሓ እቲ ጉጅለ ነዞም ገበናት ከም ኣሰራርሓ ወይ ብግልጺ እንተተቐቢሉዎም፣ እዚ ገበን ብኣሰራርሓ ወይ ብተግበር ናይቲ ጉጅለ መግለጺ እንተኾይኑ ሓደ ጉጅለ ግብረ ሽበራዊ ተባሂሉ ክስየም ከም ዝኽእል ኣባድር ኢብራሂም (ዶ\/ር) ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት፡ ሓደ ውድብ ''ግብረ ሽበራዊ'' ተባሂሉ ክስየመሉ ናብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ እንተቕርብ፡ እቲ ውድብ ግብረ ሽበራዊ ዘብልዎ ተግባራትን ዘለዎ ተሳትፎን ብግልጺ ከቕርብ ኣለዎ ብምባል ወሲኹ፡፡ እንተኾነ እዞም መረዳእታታት ብዝርዝር ምቕራብ ናይ ድሕነት ስግኣት ኣለዎ እንተተባሂሉ ዝርዝር ጉዳያት ዘይክቐርቡ ከም ዝኽእሉ እቲ ሕጊ ደንጊጉ እዩ፡፡ እቲ በዓል ሞያ ከም ዝብሎ፡ እቲ ጉጅለ ካብቶም ልዕል ኢሎም ዝተጠቐሱ ሰለስተ ተግባራት ብውሑድ ኣብቲ ሓደ ምስታፉ ክረጋገጽ ኣለዎ፡፡ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ እውን እቲ ጉጅለ ወይ ካሊእ ኣካል፡ ሓሳቡን ርእይቶኡን ናብቲ ቤት ምኽሪ ዘቕርበሉ እኹል ግዘ ብምሃብ፣ ናይ ግዘ ገደብ ብምግላጽ፡ ኣግባብ ብዘለዎ ናይ መራኸቢ ማዕኸን ጻውዒት ክገብረሉ ከምዘለዎ እቲ ኣዋጅ ይድንግግ፡፡ ግብረ ሽበራዊ ተባሂሉ ክስየም ሓሳብ ዝቐረበሉ ውድብ፡ ርእይቶኡ ነቲ ቤት ምኽሪ ከቕርብ ዘኽእልን ሚስጢራዊ ካብ ዝበሃሉ ጉዳያት ወጻኢ መረዳእታታት ናይ ምፍላጥን ናይ ምርካብን መሰል ኣለዎ፡፡ ከምኡ ድማ ነቲ ናይ ውሳነ ሓሳብ ንምቅዋም ዘለዎ መረዳእታታት ናብቲ ቤት ምኽሪ ናይ ምቕራብ መሰል ከምዘለዎ እቲ ኣዋጅ ይድንግግ፡፡ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ትማሊ ሰኑይ ነዚ ጻውዒት ብመራኸቢ ሓፋሽ ኣቕሪቡ ኣሎ፡፡ እዚ ውሳነ ሓሳብ እንትጸድቕ ድማ፡ ብመሰረት እቲ ኣዋጅ እቲ ውድብ እንድሕር ዘይፈረሰን ሕጋዊ ሰብነት እንተሃልዩዎን፡ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ እቲ ውድብ ክፈርስ ስልጣን ናብ ዘለዎ ቤት ፍርዲ ኣመልኪቱ ክፈርስ ይገብር፡፡ ከምኡ ድማ ናይቲ ትካል ንብረት መንግስቲ ክወርሶ ይገብር ብምባል እቲ ኣዋጅ ይድንግግ። መንግስቲ ነዞም ክልተ ውድባት ብሓደ ግዘ ግብረ ሽበራውያን ይበሎም እምበር፡ ነቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ሰብ ሞያ ሕጊ ግና ኣብቶም ክልተ ጉጅለታ ዝህልዎ ውጽኢት ነንበይኑ ክረአ ኣለዎ እዮም ዝብሉ፡፡ ቅድሚ ሕዚ ንመንግስቲ ዝቃወም ግብረ ሽበራዊ እናተብሃለ ይምደብ ነይሩ ዝብሉ እዞም ሰብ ሞያ፡ ንመንግስቲ ምቅዋም ከም ግብረ ሽበራ ተገይሩ ክውሰድ ከምዘይግባእ ይገልጹ፡፡ ''ሲቪላዊ ምዃን ዘድልዮ ፖለቲካዊ ርክብ፡ ብሕጊ፣ ብወታሃርን ፖሊስን ክመሓደር የብሉን፡፡ ብፍላይ ኣብ ኣፈጻጽማ ከይህሉ ክግበር ኣለዎ'' ይብሉ፡፡ ''እቲ ቅድሚ ሕዚ ዝተቐየረ ሕጊ ጸረ-ሽበራ፡ መንግስቲ ምስ ፖለቲካዊ ውድባት ዘለዎ ርክብ ናብ ናይ ጸጥታ ርክብ ዝወስደሉ እዩ ነይሩ፡፡ ንሱ ኣብዚ እዋን ክድገም የብሉን'' ዝብሉ እዞም ወሃብቲ ርእይቶ ብተወሳኺ ''ድሕሪ ሕዚ ኣብ መንጎ መንግስትን እዞም ክልተ ጉጅለታትን ብፍላይ ዘተ፣ ዕርቂ ወይ ዝኾነ ዓይነት ስምምዕ ከይህሉ ዝገብር እዩ'' ይብሉ፡፡ ብፍላይ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ካብ መሰረቱ ካብ ምፍታሕ፡ ነፍሲ ወከፍ ብቤት ፍርዲ ዝረአ ጉዳይ እዩ ዝገብሮ፡፡ እዚ ድማ ሕጋዊ ናይ ገበን ተግባርን ንመጥቃዕቲ መልሲ ናይ ምሃብ ከይድን ይኸውን፡፡ ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ሃገር ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ዝኾነ ናይ ወጻኢ ኣካል ንምትዕራቕ ወይ ናብ ዘተ ንምምጻእ ዝገብሮ ጻዕሪ ገበን ከምዝገብሮ ይገልጹ፡፡ ብፍላይ ካብ ኣመሪካ ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ መንግስታት ወጻኢ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ብስምምዕ ደው ክብል ዝቐርቡ ዝነበሩ ሕቶታት ንምዕጻው ዝተሓሰበ ይመስል እውን ይብሉ። ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ግብረ ሽበራዊ ተባሂሉ ክስየም ዘቕረቦ ጉጅለ ''ሸኔ'' እዩ፡፡ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ እዋን ብሰፊሑ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያን ኣብ ካልኦት ከባቢታት እቲ ክልልን ዝንቀሳቐስን ሰበ ስልጣን መንግስቲ 'ኦነግ ሸኔ' ኢሎም ዝጽውዕዎን ዕጡቕ ጉጅለ ነዚ ዝስዕብ ኢና እንፈልጥ፡፡ እዚ ብፍላይ ሰበስልጣን ክልል ኦሮምያ 'ኦነግ ሸኔ' ኢሎም ዝጽውዕዎ ሓይሊ፡ ንባዕሉ '' ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ'' ኢሉ እዩ ዝጽውዕ፡፡ 'ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ' ንብዙሕ ዓመታት፡ ወታሃደራዊ ክንፊ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ(ኦነግ) ኮይኑ ጸኒሑ፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምምጽኡ ስዒቡ፡ ኣመራርሓ ኦነግ ናብ ኢትዮጵያ ምስኣተዉ፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (መንግስቲ ኦነግ ሸኔ ኢሉ ዝጽወዖ ዘሎ ሓይሊ) ካብቲ ውድብ ተፈልዩ፡ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከምዝቕጽል ኣፍሊጡ፡፡ ኣቦ መንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ 'ውን ፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ ሸኔ) ንሱ ከምዘይእዝዞ ዕላዊ ገይሩ ነይሩ፡፡ ሸኔ ማለት 'ሸን' ካብ ዝብል ናይ ኦሮምኛ ቃል ዝመጸ እዩ፤ 'ሸን' ማለት ሓሙሽተ ማለት እዩ፡፡ 'ሸኔ' ማለት ድማ እቶም ሓሙሽተ ከም ማለት እዩ፡፡ ኣብ ውሽጢ ኣወዳድባ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፡ ሓሙሽተ ኣባላት ዘለዉዎ ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ 'ጉሚ ሸኔ' ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ፡፡ ጉሚ ሸኔ ማለት 'ሓሙሽተ ኣባላት ዘለዎ ጉባኤ' ከም ምባል እዩ፡፡ ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ነቲ ንባዕሉ 'ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ' ኢሉ ዝጽውዕ ሓይሊ ንምንታይ 'ኦነግ ሸኔ' ከምዝብልዎ ግልጺ ኣይኮነን፡፡ መራሒ 'ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ' ከም ዝኾነ ዝእመን፡ ጃል (ብጻይ) መሮ ብዝብል ናይ ቃልሲ ሽም ዝፍለጥ ኩምሳ ድሪባ፡ ንናጽነት ኦሮሞ ኢና እንቃለስ ይብል፡፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ኣብ ሰሙናት 'ስጉምቲ' ክወስድ እየ ዝበለ እኳ እንተኾነ፡ ኣባላት እቲ ጉጅለ ፈጺሞምዎ ብዝተባህለ መጥቃዕቲ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶምን ኣሻሓት ተፈናቒሎምን እዮም፡፡ መንግስቲ ኦነግ ሸኔ ኢሉ ብዝጽወዖ ጉጅለ፡ ብዙሐት ሰበስልጣናት መንግስትን ፖሊስን ከምዝተቐተሉን ባንኪታት ከምዝተዘረፉን ገሊጹ እዩ፡፡ እቲ ጉጅለ ብህወሓት ከም ዝሕገዝን፡ ኣብቲ ናይ ትግራይ ኲናት እውን ኣብ ጎኒ ህወሓት ኮይኖም እናተዋግኡ ነይሮም ዝበሎም ዕጡቓት 'ኦነግ ሸኔ' ከምዝመረኸን መንግስቲ ኣፍሊጡ ነይሩ፡፡ ህወሓት ካብ ናይ ደባይ ቃልሲ ናብ ሃገር መራሕነት፡ ቀጺሉ ናብ ክልል ኣመሓዳርነትን ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ናይ ደባይ ቃልሲ ዝተመለሰ ውድብ እዩ፡፡ ንኣስታት 30 ዓመታት ኣብ መድረኽ ፖለቲካ እታ ሃገር ቀንዲ ተዋሳኢ ኮይኑ ዝጸንሐ ህወሓት፡ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ዝተወለዐ ኲናት ብዝተሓሓዝ፡ ብብሄራዊ ቦርድ መረጻ እታ ሃገር ካብ ዝርዝር ፖለቲካዊ ውድባት ክስረዝ ተገይሩ እዩ፡፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ዘውዳዊ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሰ ወዲቑ፡ ኣብታ ሃገር ወተሃደራዊ መንግስቲ በትረ ስልጣን ምሓዙ ስዒቡ እዩ 11 ለካቲት 1967 ዓ\/ም ብኣቆጻጸራ ግእዝ ፡ ዕጥቃዊ ቃልሲ ምጅማሩ ዘፍለጠ፡፡ ንቃልሲ ህወሓት መበገሲ ዝነበረ፡ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዘጣየሽዎ ማሕበር ገስገስቲ ብሄረ ትግራይ (ማገብት) ዝተባህለ መደበኛ ዘይኮነ ውዳበ እዩ፡፡ ማገብት በሪሁ በርሀ (ኣረጋዊ በርሀ (ዶ\/ር))፣ እምባዬ መስፍን (ስዩም መስፍን)ን ኣማሃ ጸሃየን (ኣባይ ጸሃየ) ዝርከቡዎም ሸሞንተ ኣባላት ዝመስረትዎ እዩ ነይሩ፡፡ ምስ ደርጊ ዝግበር ዝነበረ ኲናት እናሰፈሐን ናብ ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር እናተሳገረ ምስ ከደን፡ በቢኸባቢኡ ዘለዉ ህዝቢታት ይውክሉ እዮም ዝተባህሉ ውድባት ኣብ ምሕቋፍን ኣብ ምጥያስን ህወሓት ዓብዪ ተራ ነይሩዎ፡፡ ነዚ ስዒቡ ድማ ምስ ናይ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ (ኢህዴን)፣ ናይ ህዝቢ ኦሮሞ ዴሞክራስያዊ ድርጅት (ኦህዴድ)ን ናይ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ (ደኢህዴን)ን ግንባር ብምፍጣር ንኢህወዴግ መስሪቶም፡፡ ብህወሓት ዝዕብለል ዝነበረ ኢህወዴግ ንስርዓት ደርግ ካብ ስልጣን ብምእላይ ን 27 ዓመታት ነታ ሃገር መሪሑ እዩ፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስመጸ ግና ኣፈላላያት እናሰደደን እናጎለሀን መጺኡ፡፡ ኣብ መወዳእታ ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ፡ 'ህወሓት ናብቲ ሓድሽ ውህደት ኣይጽንበርን' ካብ ምባል ብተወሳኺ ''እቲ ውህደት ሕጋዊ ኣይኮነን'' ብምባል ተቓዊምዎ። ህወሓት ኣመራርሕኡ ሒዙ ናብ ትግራይ ምስኣተወ ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝነበሮ ርክብ ካብ ምሕርፋፍ ሓሊፉ ናብ ጎንጺ ኣምሪሑ። ብምኽንያት እቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተጀመረ ኲናት፡ መንግስቲ ፌደራል 'ህወሓት ኣኺልዎ እዩ' ክብል ኣዊጁ ነይሩ፡፡ እንተኾነ፡ እቲ ኲናት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ይቕጽል ከም ዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56977380"} {"headline":"ውሩይ ሰኣላይ ዶክተር ለማ ጉያ ዓሪፎም","content":"ኢትዮጵያዊ ተወላዲ ኦሮሞ፡ ውሩይ ሰኣላይ ዶክተር ለማ ጉያ ኣብ 92 ዓመቶም ከምዝዓረፉ ኣባላት ስድርኦም ንቢቢሲ ገሊፆም። ዶክተር ለማ: ብዘጋጠሞም ሕማም ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ወፃእን ይሕከሙ ከምዝነበሩ ስድርኦም ሓቢሮም። ዶክተር ለማ: ቅብእታቶም ኣብ ቆርበት ጤል ብምድላው ናእዳ ዘትረፉ ውሩይ ስነ-ጥበባዊ ነይሮም። ኣብቶም ዝሓለፉ 65 ዓመታት ልዕሊ 10 ሽሕ ቅብኢታት ቆርበት ዘዳለዉ እንትኾኑ፡ ቅብኢታቶም ድማ ካብ ዝተደርበዩ ተፈጥሮኣዊ ነገራት የዳልውዎም ነይሮም። ስራሕቶም ድማ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ኣብ ዝርከብ ማእከል ስነ-ጥበብ የቕርቡ ነይሮም። ኣብዚ ስርሖም ኦዳ መፍለዪ ህዝቢታት ኦሮሞ ምዃኑን፡ ዘለዎ ክብሪን የርእይ። ካብዚ ብተወሳኺ ንኢሬቻ፣ ባህላዊ ፀዋታታት እሬቻን ምስቲ በዓል ተዛማድነት ዘለዎም ባህላዊ ተግባራትን የርእይ። ኣብ ቅድሚት ጎሊሀን ዝረኣያ በዓልቲ ፀጋ ዕድመ፡ \"ኣደ ነፍሶ\" ዝበሃላን ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ይነብራ ዝነበራን ወላዲት እየን። ኣብ መበል 120 ዓመተን ከምዝዓረፋ'ውን ይዝረብ። ክቡር ዶክተር ለማ ጉያ ንደቆም ሓዊሶም ብሓፈሻ ሓሙሸተ ሰዓብቲ ኣሰሮም ከፍርዩ ክኢሎም እዮም።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54695479"} {"headline":"ቶኪዮ ኦሎምፒክ፡ ሲፋን ሓሰን ናብ ኢትዮጵያ ዘይምምላሰይ ኣየጣዕሰንን ኢላ","content":"ኣብ ቶኪዮ ኦሎምፒክ ሰለስተ ሜዳልያ ዝተዓወተት ኣትሌት ሲፋን ሓሰን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ጎንጺ \"ነታ ሃገር የዕንዋ'ዩ ዘሎ\" ብምባል በዚ ምኽንያት እታ ሃገር ኣትሌታታ ካብ ምስኣን ንምውሓስ ምምርቓሕ ስልጣን ክህሉ ጸዊዓ። ቅድሚ 14 ዓመት ካብ ኢትዮጵያ ዝወጸት ሲፋን፡ ኣብቲ ኣብ ቶኪዮ ዝተኻየደ ውድድር ነታ እትወዳደረላ ሃገረ ኔዘርላንድስ ብ5ሽሕን 10 ሽሕን ሜትሮ ወርቂ ሜዳሊያ፤ ብ1500 ሜትሮ ድማ ሜዳሊያ ነሓስ ተዓዊታ እያ። እታ ጓል 28 ዓመት ኣትሌት፡ ተወላዲት እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንዓመታት ዓብዪ ርእሰ ምሕደራ ካብ ዝጠልብ ብብዝሒ ህዝቢ ዝዓበየ ዝኾነ ብሄር ኦሮሞ ኮይና፡ ኣብቲ ክልል ክሳብ \"ናጽነት\" ዝበጽሕ ጠለብ ዘለዎም ሓይልታት ይንቀሳቐሱ'ዮም። ቅድም ኢሉ ኣብ 10 ሽሕ ሜትሮ ዘመዝገበቶ ክብረ ወሰን ዓለም ኣብ ውሽጢ መዓልታት ብኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ተሰይሩ ነይሩ። ለተሰንበት፡ ተወላዲት እታ ንትሸዓተ ወርሒ ኲናት ዝካየደላ ዘላ ክልል ትግራይ ኮይና ንኢትዮጵያ ወኪላ ኣብ ውድድራት ኣትሌቲክስ ክትሳተፍ ጸኒሓ። ሲፈን ሓሰን ምስ ቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ ኣብ ዝገበረቶ ጻንሒት፡ ኣብ ኦሮሚያ ዝፍጠር ዘሎ ኩነታት ልቢ ዝሰብር እዩ ብምባል ገሊጻቶ። \"ካብታ ሃገር ብምውጽአይ ፈጺመ ኣይጥዓስን፤ ክምለስ'ውን ኣይደልን። ኣዝዩ ዘሕምም ነገር'ዩ፤ ብዛዕብኡ ክሓስብ ከለኹ የሕመኒ'ዩ\" ኢላ። ንሳ፡ ክሳብ 2007 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ኢትዮጵያ ጽቡቕ ዝብሃል ናይ ቑልዕነት ግዜ ከም ዝነበራ ተዛሪባ። ኣብቲ ኣብ ቶኪዮ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ብ10 ሽሕ ሜትሮ ዝተወዳደራ ሰለስቲአን ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያውያን'የን። እንተኾነ እታ ካልኣይቲ ዝወጽአት ኣትሌት ቃልኪዳን ገዛሀኝ ንባሕሬን ክትውክል እንከላ፡ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ጥራይ እያ ንኢትዮጵያ ብምውካል ተወዳዲራ ሜዳሊያ ነሓስ ኣምጺኣ። እታ ኣብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝባ ካልአይቲ ምዃና ዝንገረላ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ታሪኻ ዓሌታዊ ምትፍናናት ክርኣያ ዝጸንሐት እያ። ኣትሌት ሲፈን እዚ ኩነታት እታ ሃገር ተስፋ ዝግበረሎም ኣትሌታት ክትስእን ምኽንያት ይኸውን ኣሎ'ዩ ክትብል ነቒፋ። \"ኣብ ሕሉፍ እቲ መንእሰይ ነንሕድሕዱ ክፋቶ እየ ዝፈልጥ ነይረ፤ ሕጂ ግን ብጽልኢ ተዋሒጡ ኣሎ። ከምዚ ኢሎም ንርእሶም ኢትዮጵያውያን ኢሎም ይጽውዑ፤ ኣብዚ ሰዓት ግን ብዙሓት ተጋሩ ንርእሶም ኢትዮጵያውያን ኢሎም ከም ዘይጽውዑ ርግጸኛ እየ\" ኢላ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ሲፋን ኣብ 10 ሽሕ ሜትሮ ዘመዝገበቶ ክብረወሰን ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ክትሰብሮ እንከላ፡ ብዙሓት እቲ ሓድሽ ክብረወሰን 'ብትግራወይቲ እምበር ብኢትዮጵያዊት ኣይኮነን ተመዝጊቡ' ኢሎም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ይጽሕፉ ነይሮም። ኣብዚ ወርሒ፡ ኤጀንሲታት ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኦሮሚያ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ኣለው ክብሉ እንከለው፡ ኣብ ትግራይ ሚልዮናት ህጹጽ ረድኤት ከም ዘድልዮም ይገልጹ። \"ኣዝዩ ዘሰክፍ'ዩ\" ዝበለት ኣትሌት ሲፋን፡ \"ለተሰንበት እትነኣድ ኣትሌት እያ፤ ካብቲ ዝመጽአትሉ ክልል ግን ብዙሓት ንኣሽቱ ቖልዑት ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ኮይነን'የን። ክንደይ ዝኣኽላ . . . ምናልባት ከማይ ዓቢ ሕልሚ ዝነበረን ደቂ ኣንስትዮ፡ ከም ዝተዓመጻ ትፈልጥ ዲኻ?\" ኢላ። እተን ኣብ ኦሎምፒክ ዓለም ኣብ ውድድር 10 ሽሕ ሜትሮ ዝተራእየ ሰለስተ ተወለድቲ ኢትዮጵያ ጎየይቲ ንዝተፈላለያ ሃገራት ክዕወታ እንከለዋ ምርኣይ፡ እቲ ሕብረተሰብ ናብ ሓደ ከምጽእ እዩ ኢልካ ዘይሕሰብ'ዩ ብምባል እቲ ህዝቢ ዚያዳ ዓርሰ ምሕደራ ዝጠልብ ምዃኑ ዘርኢ'ዩ ኢላ። እቲ ኣብ 2018፡ ናብ ስልጣን ዝደየበ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ድማ \"ስልጣን ናብ ማእከል ናይ ምጥቕላል ድልየት እዩ ዘለዎ\" ክትብል ነቒፋ። \"ኣነ እንተዝኸውን ነይረ፡ ስልጣነይ ምገደፍኩ። ህዝቢ ድማ ድልየቱ ክመርጽ ምገበርኩ\" ኢላ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58155775"} {"headline":"ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ካብ መረጻ ኢትዮጵያ ንዓርሱ ኣግሊሉ","content":"ግንባር ሓርነት ኦሮሞ [ኦነግ] ኣብቲ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ዝካየድ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ከይሳተፍ ከምዝተገበረ ኣፍሊጡ። እቲ ብኣይተ ዳውድ ኢብሳ ዝምራሕ ፖለቲካዊ ሰልፊ ሕጹያቱ ከምዘየመዝገበ ወግዓዊ ገይሩ'ሎ። ወሃቢ ቓል ኦነግ ኣይተ በቴ ኡርጌሳ ውድቦም ካብ ውድድር መረጻ ተገዲዱ ከምዝወጽአ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። \"ኣይሳተፍን ዘይኮነስ ከይሳተፍ ተገይረ እዩ ዝብል ዘሎ ውድብና። መንግስቲ ብዝገብሮ ዘሎ ድፍኢት፣ ዓፈናን ክልከላን ምኽንያት ካብ ምርጫ ንኽተርፍን ሕጹያቱ ከየቕርብን ተገይረ እዩ ኢሉ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ታሕተዎት መሪሕነት ተኣሲሮም። ብቐጥታ ብሓይሊ ፖሊስ ዝተዓጸዉ ኣብያተ ጽሕፈትና ድማ 103 እዮም። ብናጽነት ናይ ምንቅስቓድ መሰልና ውሑስ ኣብ ዘይኮነሉ እዋን ተንቀሳቒስና ሕጹያት ክነቕርብ ኣይከኣልናን\" ኢሉ። መደብ ምዝገባ ሕጹያት ትማሊ እንተተዛዘመ'ኳ ዘቕረብዎም ሕጹያት ከምዘየለን ወሲኹ ተዛሪቡ። ብኣይተ ኣራርሶ ቢቂላ ዝምራሕ ካልእ ክንፊ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ብወገኑ፤ ካብ ተሳትፎ ሃገራዊ መረጻ ምውጻእ ናይ ኦነግ ውሳነ ከምዘይኮነ'ዪ ዝዛረብ። እቲ ጉጅለ ኣብ ውሽጢ እቲ ሰልፊ ብዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ተነጺሉ ዝወጽአ ምዃኑ ይፍለጥ። ሕጹያቱ ከየመዝገበ እቲ መስርሕ ምዝገባ እንተተዛዘመ'ውን፡ ወሃቢ ቓል እቲ ጉጅለ ኣይተ ቀጄላ መርዳሳ ግን እቲ መዓልቲ ምዝገባ እንተዝናዋሕ ሕጹያት ንኸመዝግቡ ድልየት ከምዘለዎም ይገልጽ። \"ከምዚ ዓይነት ውሳነ ክመሓላለፍ ዝነበሮ ብሓበራዊ ኣመራርሓ እዩ። እቲ ኣቦ መንበር ንበይኑ - ሓንሳብ ናይ ስግግር መንግስቲ ይእውጅ፤ ናይ ኦሮሚያ ስግግር መንግስቲ ይብል፤ ኣብ መረጻ ኣይሳተፍን ይብል። እዚ ኩሉ ግን ሕጋውነት የብሉን። ስለዚ ንሕና ኣብዚ ውሳነ የለናሉን። ኣብ መረጻ ንምስታፍ ብዙሕ ጻዕሪ ገይርና ኢና። ሕዚ'ውን ንገብር ኣለና።\" ኣብ ሞንጎ መሪሕነት ኦነግ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ዘይምርድዳእ ከምዝተፈጠረ ክግለጽ ጽኒሑ'ሎ። ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ሞንጎ'ቶም መሪሕነት ንዝተፈጠረ ምክፍፋል ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መተሓሳሰቢ፤ ፍታሕ ንምምጻእ መሪሕነትን ኣባላትን ኦነግ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከካይዱ ጸዊዑ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ጉባኤ ክሳብ ሎሚ ኣይተኻየደን። ውድብ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ - ኦፌኮ'ውን - ኣብ ሃገራዊ መረጻ ከምዘይሳተፍ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ወግዓዊ ገይሩ ነይሩ። ክልቲኦም ሰልፍታት ኣብቲ ምርጫ ኣይንሳተፍን ምባሎም ከኣ ኣብቲ መረጻ ጽልዋ ከምዝህልዎ ብዙሓት ይገልጹ። ገዛኢ እታ ሃገር ዝኾነ ውድብ ብልጽግና ግን፡ ውድባት ካብ ተሳትፎ ምርጫ ንነብሰን ዘግልላሉ ምኽንያት ዘእምን ኣይኮነን'ዩ ዝብል። ሓላፊ ዓለምለኻዊ ርክባት ውድብ ብልጽግና ዶክትር ቢቂላ ሁሪሳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ \"እቶም ዝቐርቡ ክስታት ኩሎም መሰረት ዘይብሎም'ዮም\" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። \"እዞም ተዓጽዮም ዝበሃሉ ዘለዉ ኣብያተ ጽሕፈት ከምኡ'ውን ተኣሲሮም ዝበሃሉ ሰባት ኣበየናይ ክልል፣ ኣበያናይ ዞባ፣ ወረዳን ከተማ ዝርከቡ እዮም ብዝብል ንዝተዳለወ ሓደ ጸብጻብ ናይ ምርኣይ ዕድል ረኺበ ነይረ። በዚ ኸኣ እቲ ክስታት መሰረት ዘይብሉን ካብ ሓደ ን50 ሚልዮን ህዝቢ ወኪሉ ክወዳደር ትጽቢት ዝግበረሉ ዓብዪ ውድብ ትጽቢት ዝግበር ኣይኮነን። ገሊኡ ክስታት ገበነኛታት ኮይኖም ዝተሓዙ ሰባት ክህልዉ ከለዉ 'እዚኦም ናይ እከለ ሰልፊ ኣባላት ስለዝኾኑ እዮም ተኣሲሮም' ዝብሉ ሓላፍነት ዝጎደሎም ጠቐነታት እዮም\" ዝብል ምላሽ ሂቡ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56321200"} {"headline":"ቤት ፍርዲ ብቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ጥላሁን ያሚ ዝርከቦም ሰለስተ ሰባት ገበነኛታት ኢልዎም","content":"ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል፡ ካብቶም ምስ ቅትለት ውሩይ ስነ ጥበባዊ ሓጫሉ ሁንዴሳ ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ዝነበሩ ሰለስተ ሰባት 'ገበነኛታት'ዮም' ኢልዎም። እቶም ገበነኛታት ዝተብሃሉ ቀዳማይ ተኸሳሲ ጥላሁን ያሚ፡ ካልኣይ ተኸሳሲ ከበደ ገመቹን ሳልሳይ ተኸሳሲ ኣብዲ ኣለማየሁን እዮም። እቲ ቤት ፍርዲ ዓቓቢ ሕጊ ንዘቕረቦም ሰነዳትን ናይ ዓይኒ መሰኻክርን ከምኡ'ውን ቃል ክሱሳትን ከምዝሰመዐ ገሊጹ። ንሃጫሉ ሁንዴሳ ብሽጉጥ ቶኵሱ ብምቅታል ዝተኸሰሰ ቀዳማይ ተኸሳሲ ጥላሁን ያሚ፡ ቅድሚ ሕጂ ነቲ ገበን ከምዘይፈጸሞን ቃሉ ክህብ እንከሎ ብፖሊስ ከምዝተሃረመን ብሓይሊ 'እወ ቀቲለ'የ' ክብል ከምዝተገደደ'ዩ ንቤት ፍርዲ ሓቢሩ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ቤት ፍርዲ፡ ክሱስ ጥላሁን ንፖሊስ ቃሉ ክህብ እንከሎ ዝተሰኣለ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ብምዕዛብ ቃሉ ኣብ ዝሃበሉ ዝኾነ ተጽዕኖ ከምዘይተፈጠረሉ ከረጋግጽ ክኢለ'የ ኢሉ። ካብዚ ብተወሳኺ ክሱስ ጥላሁን፡ ብፖሊስ ኣብ ዝተሃረመሉ ኣብ እግሩ ከምዝተሃሰየ ሓቢሩ ነይሩ'ዩ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ግን ጥላሁን ነቲ ገበን ከመይ ከምዝፈጸሞ እናተንቀሳቐሰ ንፖሊስ እናኣርኣዮም እንከሎ ዝተሰኣለ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ከምዝርኣየን ከምኡ'ውን ነቲ ብፖሊስ ተሃሪመ እየ ዝበሎ ዝኾነ ምልክት ይኹን ስምብራት ከርኢ ከምዘይከኣለ ገሊጹ። እቲ ቤት ፍርዲ ቀዳማይ ተኸሳሲ ጥላሁን ያሚ ዘቕረቦ ናይ ነብሰ ምክልኻል መርትዖታት ንሓድሕዱ ዝጋጮ ኮይኑ ከምዝረኸቦ'ዩ ዝገልጽ። እቲ ጥላሁን ገበነኛ ተባሂልሉ ዘሎ ገበን ካብ 15 ዓመት ማእሰርቲ ክሳብ ሞት ከቅጽዕ ዝኽእል ከምዝኾነ'ዩ ዝግለጽ። እቲ ቤት ፍርዲ፡ ንካልኣይ ተኸሳሲ ከበደ ገመቹ'ውን ገበነኛ ክብሎ እንከሎ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ካልኣይ ተኸሳሲ ገበነኛ'ዩ ንምባል ካብ ዝተጠቀመሎም መርትዖታት ሓደ ናይ ተሌፎን ቅዳሕ ድምጺ'ዩ። ከበደ ገመቹ ብሕጊ ኣብ ዝድለየሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ህድማ እዩ ነይሩ፡ ካብ ፖሊስን ሕግን ኣብ ዝሃድመሉ ዝነበረ እዋን ኸኣ ብቴሌፎኑ ካብ ፖሊስ ይሃድም ከምዘሎ ይዛረብ ከምዝነበረ ዘረጋግጽ እቲ ቤት ፍርዲ ቅዳሕ ድምጺ ምስምዑ ገሊጹ። እቲ ቤት ፍርዲ ካልኣይ ተኸሳሲ ከበደ ገመቹ ዘቕረቦ ናይ ነብሰ ምክልኻል መርትዖታት ንሓድሕዱ ዝጋጮ ኮይኑ ከምዝረኸቦ'ዩ ዝገልጽ። ከበደ ገመቹ ቅድሚ ሕጂ ንቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ምስ ቀዳማይ ተኸሳሲ ጥላሁን ያሚ 'ንሰብ ሃሪምና ንስረቅ' ተባሃሂሎም ምንባሮም ገሊጹ ነይሩ'ዩ። ከበደ ገመቹ በዚ ገበነኛ ተባሂልሉ ዘሎ ካብ 5 ክሳብ 20 ዓመት ክእሰር ከምዝኽእል እዩ ዝግለጽ። ብ10 ሽሕ ብር ዋሕስ ካብ ቀይዲ ተፈንዩ ጉዳዩ ብደገ ኮይኑ ክከታተል ዝጸንሐ ሳልሳይ ተኸሳሲ ኣብዲ ኣለማዩሁ'ውን ቤት ፍርዲ ገበነኛ ኢልዎ ኣሎ። እቲ ቤት ፍርዲ ሳልሳይ ተኸሳሲ ኣብዲ ኣለማዩሁ፡ ገበነኛ ስለዝኾነ ዋሕሱ ተላዒሉ ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኣሎ። ኣብዲ፡ እቲ ገበን ክፍጸም እንከሎ ብዓይኑ ርእዩ ብመሰረት ገበናዊ ሕጊ ዓንቀጽ 443 እዝባር 1 ንዝምልከቶ ኣካል ስለዘይሓበረ እዩ ገበነኛ ተባሂሉ ዘሎ። ፍሉጥ ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ወርሐ ሰነ ምሸት ሰዓት ትሽዓተን ፈረቓን ኣብ ጥቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ገዝኡ ብጥይት ተቐቲሉ። ቤት ፍርዲ ምስ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ምትእስሳር ኣለዎም ንዝበሎም ኣርባዕተ ሰባት ጉዳዮም ክኸታተሎ ምጽንሑ ይፍለጥ። ቤት ፍርዲ ነታ ራባዓይቲ ተኸሳሲትን ሓጫሉ ሁንዴሳ ንኽቕተል ነገራት ኣጣጢሓ ዝተበሃለት ላምሮን ከማል፡ ናይ ሰነደ መርትዖ ስለዘይተረኸባ ነጻ ከምዝበላ እኳ ገሊጹ እንተነበረ፡ ኣኽባሪ ሕጊ ንውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ብምቅዋም ኣቤቱታ ስለዘቕረብ፡ እቲ ጉዳያ ከምብሓድሽ ክርአ ቆጸራ ተታሒዙላ ኣሎ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57731568"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ስለምንታይ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ተቓውሞ ገጢሙዎ?","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ጸገማት ንምፍታሕ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ዝበጽሐ በደል ምሕባእ ኣየድልን ይብል ሙሁር ፖለቲካን ኣቦ መንበር ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስን ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ዘሳተፈ ሃገራዊ ዕርቂ ኣብ ምፍጣር ዘተኮረ ሓደ መጽናዕታዊ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ ነይሩ። ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ኣብዚ መድረኽ ዘቕረቦ ጽሑፍ ኣካታዕን ካልእ ዘይምቅድዳው ዝፈጥርን እዩ ብምባል ገለ ፖለቲከኛታትን ሚዲያታትን ክቃወሙዎ ቐንዮም። እዚ፡ \"ታሪኽ ኢትዮጵያን፤ ብሄራዊ ዕርቂ ብኸመይ ይመጽእን?\" ብዝብል ኣርእስቲ እቲ ፖለቲከኛ ዘቕረቦ ሓሳብ እዩ ነይሩ። \"እቲ ጽሑፍ መሓውር እታ ሃገርን ማዕርነታዊ ስርዓት ንምህናጽን ዝተገብሩ ፈተነታት ብኸመይ ኣንፈቶም ስሒቶም ዝብል ንምርዳእ ካብ ዘመነ ሚኒሊክ ጀሚሩ ዘሎ ጊዜ'የ ኣልዒለ\" ይብል ፕሮፌሰር መረራ። ብፍላይ ስርዓት ሚኒሊክ 'ከመይ ተወዲቡ፣ ውጽኢቱ እንታይ ነይሩ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኦሮሞን ደቡብን ዘብጽሖ በደል' ዝምልከት ሓሳባት ከም ዘልዓለ ወሲኹ ሓቢሩ። ካብዚ ወጻኢ \"ድሕሪ ስርዓት ሚኒሊክ ልጅ እያሱ ህንጸት እታ ሃገር ብኸመይ ከቐጽሎ ፈቲኑ፣ ስርዓት ሃይለስላሰ፣ ደርግን ብቐዳማይ ሚኒስትር ነበር ኣቶ መለስ ዜናዊ ዝምራሕ መንግስትን ከምኡ'ውን እቲ ሕጂ ካብ ኢድና ዝሃድም ዘሎ ዕድል ኣልዒለ'የ\" ይብል። ኣብቲ መድረኽ ዘተ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ኢትዮጵያ፡ ስርዓት ሚኒሊክ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኦሮሞን ካልኦትን ዘብጽሖ በደል ምስ ኣልዓልኩ'ዩ ተቓውሞ ገጢሙኒ ይብል ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና። \"ስለምንታይ ብዛዕባ ሚኒሊክ ሕማቕ ነገር ትዛረብ? ዝብሉ ነይሮም። እዚ ሓሳብ ሓድነትና ዘፍርስ እምበር ንቕድሚት ዝወስደና ኣይኮነን ድማ ይብሉ ነይሮም\" ኢሉ። ብኣንጻሩ ነቲ ዘልዓሎ ሓሳብ ደጊፎም ኣብ ዙርያ ሓቂ ተዘራሪብና ጸገማት እታ ሃገር ክንፈትሕ ኣለና ዝበሉ ከም ዝነበሩ ጠቒሱ። ኣብ ዙርያ ህንጸት ሃገር ዝነበሩ ጸገማት ከይለዓል ዝደልዩ ኣካላት እቲ ድልየቶም ካብ ክልተ ጸገማት ዝብገስ'ዩ ይብል እቲ ሙሁር። \"እቲ ሓደ ታሪኽ እዛ ሃገር ብትኽክል ካብ ዘይምፍላጥ ዝብገስ ኮይኑ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብ ህንጸት እታ ሃገር ዝነበሩ ጸገማት እንተፈለጡ'ውን ክለዓል ዘይምድላይ'ዩ\" ኢሉ። ከምቲ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ዝብሎ እንተኾይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብታ ሃገር ክልተ ዝተፈላለዩ ድልየታት ዘለው [ናይ ቡዳ ፖለቲካ ኢሉ ዝጽውዖ] እዮም ዘለውዋ። ነዚ ከብርህ እንከሎ ድማ፡ \"እቲ ሓደ ወገን ኣብ ሕልሚ ዝተመስረተ ፍቕሪ ሃገር ዘለዎ ኮይኑ፤ ካልኦት ድማ ንኢትዮጵያ ከፍርሱልና'ዮም ኢሎም ይጉስጉሱ። እዚ ንጹህ ፍቕሪ ኣይኮነን። ነቶም ሃገር ከፍርሱ'ዮም ዝተባህሉ'ውን ሽም ተዋሂቡዎም'ዩ\" ይብል። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባን ጠቐነን ንህንጸት ሃገር ሓደገኛ'ዩ ዝብል ፕሮፌሰር መረራ፡ \"ደርጊ ኣብ ኤርትራ ጀነራል ኣማን ዓምዶም ብምቕታሉ ሻዕቢያ ፈጢሩ፤ ሃይለስላሴ ድማ በዓል ጀነራል ታደሰ ኣሲሩ ምሉእ ዕድሚኡ ከሳቕዮም እንከሎ ግንባር ነጻነት ኦሮሞ ተወሊዱ። ስለዚ ነቲ ሓደ ምግላል ካልእ ኒሕ ክውለድ ዝገብር እምበር ፍታሕ ዘምጽእ ኣይኮነን'የ ኢለ\" ኢሉ። ካልእ ኣብቲ መድረኽ ተላዒሉ ዘካትዕ ዝነበረ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተተኸለ ብዛዕባ ታሪኽ ምቑራጽ ኢድን ጡብን ስርዓት ሚኒሊክ ዘዘንቱ ሓወልቲ ኣኖሌ ኮይኑ፡ ፕሮፌሰር መረራ እዚ ሚኒሊክ ኣብ ልዕሊ ኦሮሞ ዝፈጸሞ በደል መረጋገጺ'ዩ ዝብል መካትዒ ሓሳብ ዘቕረበሉ ነይሩ። \"ኣኖሌ ናይ ሓሶት ታሪኽ'ዩ ዝብሉ ነይሮም\" ዝበለ ፕሮፌሰር መረራ፡ ይኹን'ምበር ነዚ ክፈልጥ ዝደሊ ካብ ኣዲስ ኣበባ 160 ኪሎ ሜትሮ ርሕቕ ኢላ ናብ እትርከብ ኣኖሌ ብምኻድ እቲ ሓቂ ካብቲ ሕብረተሰብ ክሰምዖን ክፈልጦን ይኽእል'ዩ ኢሉ። ኣብዛ ሃገር ዘለው ጸገማት ንምፍታሕ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ዝተፈጸመ በደል ምዕባስ መፍትሒ ክኸውን ኣይኽእልን ብማለት ድማ ይካታዕ። \"ሚኒሊክ ጅግና'ዩ ዝብሉ ኣለው፤ ብኣንጻሩ ድማ ጨቋኒ'ዩ ዝብሉ ኣለው። ክልቲኦም ድማ ዜጋታት እዛ ሃገር እዮም። ስለዚ ክልቲኡ ሓሳብ ብምቕባል እንታይ ክግበር ኣለዎ ኣብ ዝብል ምዝርራብ እምበር ታሪክ ክክሓድን ክዕበስን የብሉን\"። ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ናይዛ ሃገር ዓብዪ ጸገም ዝብሎ 'ንኢትዮጵያ ኣነ'የ ዝፈትዋ' ዝብል ኣተሓሳስባ ምዃኑን እዚ ነታ ሃገር ዘፍርስ ጸገም ከም ዝኾነን ይኣምን። ብተወሳኺ እቲ ሕጂ ኣብ መሪሕነት ዘሎ መንግስቲ ብማእሰርቲ ዜጋታት ነቶም ዘለው ጸገማት ክፈትሕ ከም ዘይኽእል ብምጥቃስ፡ \"ሕጂ መንግስቲ ኣጻብዕቱ ናብ ተቓወምቲ፤ ተቓወምቲ ድማ ናብ መንግስቲ እዩ ዘሎ። ግን ድማ ካብዚ ወጺእና ነናይ ባዕልና ጥፍኣት ኣሚንና ብሓባር ናብ ምስራሕ ክንመጽእ ኣለና\" ኢሉ። ፖሊቲካዊ ተሳትፎ ፕሮፌሰር መረራ ተመሃራይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ አምቦ እንከሎ'ዩ ጀሚሩ። ተምሃራይ ዩኒቨርስቲ አዲስ አበባ እናሃለወ'ውን ኣብ ልዕሊ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴ ኣብ ዝተወደበ ተቓውሞ ተሳትፎ ዝነበሮን ጸኒሑ ኣባል መኢሶን ዝኾነን'ዩ። ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ መምህር ፖሎቲካል ሳይንስ ኮይኑ ኣንጻር ወታደራዊ ስርዓት ደርጊ ጎስጓሳት የካይዱ ስለ ዝነበረ በዚ ምኽንያት ደርጊ ንሸውዓተ ዓመታት ብዘይ ክስን ብይንን ኣሲሩዎ። ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈትሐ ድማ ኣብ ካይሮ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ አመሪካ ንትምህርቶም ከይዱ። ፕሮፌሰር መረራ ድሕሪ ውድቀት ደርግ ብሄራዊ ኮንግረስ ኦሮሞ ዝተብሃለ ውድብ መስሪቱ ናብ ፖለቲካ ተመሊሱ። እቲ ውድብ ህዝቢ ኦሮም መሰል ዓርሰ-ውሳነ ከረጋግፅን ቋንቋ ኦሮምኛ ምስ ኣምሓርኛ ናይ ስራሕ ቋንቋ ክኸውንን ዝቃለስ እዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ሕፁይ ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኮይኑ ክወዳደር እንከሎ፤ መካትዒን ብዝተፈላለዩ ተጓንፎታቱ ዝዝከርን መረፃ 1997 ኣብ ከባቢ ትውልዲ ዓዱ ተወዳዲሩ ብምስዓር ንሓሙሽተ ዓመታት ኣባል ባይቶ ኮይኑ ሰሪሑ። ፕሮፌሰር መረራ ብፖለቲካል ሳይንስን ብኣመራርሓ ተቓዋሚ ሰልፍን ብዝረኸቦ ዓᎁቕ ልምድን ተሞክሮን ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ፀሑፋት ከቕርብ ኣብ ዓበይቲ መድረኻት ዕድመ ይቐርበሉ እዩ። ካብዚ ሓደ ፓርላማ ኣውሮጰዓ ዝገበረሉ ዕድመ ይጥቀስ። ብ2016 ኣብ ብራስልስ ኣብ ዝተኻየደ አኼባ ኣባላት ፓርላማ ኣውሮጰዓ ተሳቲፉ ምስተመልሰ ግን ብገበን ግብረ ሽበራ ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ኣቲዩ። ንሓደ ዓመት ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ጸኒሑ። ኣብ 2018 ድማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሑ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53915746"} {"headline":"“ኣብዪ፡ ኣብ 1960ታት ንዝነበሩ ውልቀ-መለኽቲ ኣፍሪቃ እዩ ዝመስል” ዶክተር ኣወል ኣሎ","content":"ኣብ ብሪጣንያ፡ ዩኒቨርስቲ ኪል መምህር ዝኾነ፡ ዶክተር ኣወል ኣሎ ቃሲም፡ ምስ መደብ ቢቢሲ ኒውስሃዎር ኣብ ዝገበሮ ሓጺር ጻንሒት፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ መረጻ፤ ዘይሕጋዊ ምባል ኣይከኣልን ኢሉ። ኣብዪ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ መራሒ ለውጢን ዕርያን ተባሂሉ ብዙሕ ናእዳ ዝቐረበሉ እዩ። ዶክተር ኣል ግን፡ ምልስ ኢለ ክርእዮ እንከለኹ፡ ኣብዪ ዘበገሶ ናይ ዕርያ ስጉምትታት፡ ስልጣኑ ክሳብ ዘደላድል ዝተጠቐመሉ ሜላ እዩ ነይሩ ይብል። ስለዝኾነ ድማ፡ ንቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ምስ ኣብ 1960ታት ዝነበሩ ውልቀ መለኽቲ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣመሳሲልዎ። እቲ ተንታኒ ፖለቲካ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ክልል ትግራይን፡ መንግስቲ ፌዴራልን ዘሎ ወጥሪ ካብ መንጽር ሕጊ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ህወሓትን ብልጽግናን ዘሰጉምዎ ካብ ዘለውዎ ፖሊቲካዊ ስነ-ሓሳብ ክረአ ከምዘለዎ ይዛረብ። “ብመነጽር ፌዴሬላዊ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ትግራይ ዘካየደቶ መረጻ፡ ዘይሕጋዊ ንምባል ዝከኣል ኣይኮነን” ድማ ኢሉ። ብመሰረት እቲ ስርዓት፡ መንግስቲ እቲ ክልል ኣብ ክልሉ መረጻ ኾነ ካልእ ናይ ምክያድ ሕገ-መንግስታዊ መሰል ከምዘለዎ እዩ ዝትንትን። ፌዴራል መንግስቲ፡ ሃገራዊ መረጻ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ -19 ንዘይተወሰነ እዋን ምስ ኣናወሐ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ነቲ ውሳነ ኣይተቐበሎን። ቅድሚ ኮሮና ምምጽኡ፡ መንግስቲ ፌዴራል፡ መረጻ ንምክያድ ምድላው ኣይገብርን ዘሎ ኢሉ ክኸስስ ጸኒሑ እዩ። ንውሳነ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን፡ ጥሒስካ መረጻ ምክያድ፡ ብኸመይ ሕጋዊ ክኸውን ይኽእል ዝብል ሕቶ ካብ ቢቢሲ ዝቐረበሉ ዶክተር ኣወል፡ ካብ መትከል እቲ ሕገ መንግስቲ እንተተራእዩ፡ ፌደራል መንግስቲ ከምኡ ናይ ምግባር ስልጣን ከምዘይብሉ የረድእ። “መንግስቲ ፌዴራል ሃገራዊ መረጻ ምንውሑ፡ ኣይተስማማዕኹን ምባሉ፡ እቲ ክልል ዘካይዶ መረጻ ዘይሕጋዊ እዩ ወይከኣ ሕገ መንግስቲ ዝጥሕስ እዩ ማለት ኣይኮነን” ኢሉ። እቲ ፌዴራላዊ ስርዓት፡ ክልላት ባዕለን ንባዕለን ናይ ምምሕዳር ስልጣን ከመዘለዎን ድማ ኣስሚርሉ። ብካልኣይ ብርኪ ድማ፡ ዝጸንሐ ሕገ መንግስታውን ፖሊቲካውን ፍሕፍሕ ምርኣይ ጠቓሚ ከምዝኾነ የረድእ። “እቲ መረጻ፡ ‘ሕገ መንግስታዊ ኣይኮነን’ ኢልካ ብዓይኒ ሕጊ ጥራሕ ካብ ምርኣይ፡ ካብቲ ዝሓደረ ክልቲኦም ዘሰጉምዎ ዘሎ ፖለቲካዊ ራእይ እዩ ክረአ ዝግባእ” ዝብል ምላሽ ሂቡ። ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ ነቲ ናይ ሰፈር መረጻ ክበል ዘናአሶ መረጻ ጠጠው ንምባል፡ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስድ ከመዘይደሊ እንተተዛረበ’ኳ፡ ነቲ መረጻ አፍልጦ ዘይምሃብ ከይዱ ከይዱ ናብኡ ከይወስዶም ስግኣታት ኣሎ። “ፌዴራል መንግስቲ ክሳብ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ምውሳድ እንተበጺሑ፡ እቲ ኣብዪ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ ኣብ መንጎኦም እናሰፍሐ ዝመጽአ ወጥሪ ዘዕርግ እዩ ክኸውን” ይብል ኣወል። ህወሓት ኣብቲ ዝሓለፈ ዳርጋ 30 ዓመታት ኣብታ ሃገር ኣብ ሕማቑን ጽቡቑን ዓብዪ እጃም ዝተጻወተ ምዃኑ፡ በቲ ጸረ -ዴሞክራስያዊ ተግባራቱ ድማ ዝውቀስ ምዃኑ እቲ ዶክተር አዘኻኺሩ። እቲ ብህወሓት ዓብላለይነት ዝፍለጥ ገዛኢ ውድብ ኢህወዴግ ዝፈረሰሉ መገዲ፡ ሱር ናይቲ ጸገም ከምዝኾነ እቲ ምሁር የመልክት። “ኣብዪ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ንህወሓት ኣጓንዩወዎ እዩ፤ ሓድሽ ውድብ ብልጽግና መስሪቱ። ህወሓት ነቲ ሓድሽ ውድብ፤ ኣይኣመነሉን፤ ክጽምበር ኣይደለየን። ስለዚ እቲ ሕዚ ዝረአ ዘሎ ወጥሪ ካብዚ ዝጸንሐ ኣፈላለይ ስነ-ሓሳብ እዩ ክረአ ዘለዎ።” ይብል። ኣብታ ሃገር ከምቲ መደብ ተታሒዝሉ ዝነበረ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ መረጻ ተኻይዱ እንተዝኸውን፡ ብልጽግና ክስዕር ኣይኽእልን ኢሎም ምስ ዝኣመኑ ሰባት ከምዝኾነ ዶክተር ኣዎል ኣንጸባሪቑ። “ሃገር ክትብተን ትኽእል እያ” ነዚ ክልላዊ መረጻ ስዒቡ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ትካላት ፌዴራል ተጠቒሙ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ እንተወሲዱ፡ እቲ ጎንጺ ናብ ዘይምለስ ብርኪ ክበጽሕ ምዃኑ እቲ ምሁር ይኣመን። ኣስዒቡ ድማ፡ “ኣብ ትግራይ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ እንተተፈቲኑ ግን፡ እታ ሃገር ንሓላላ ክትብተን ትኽእል እያ” ኢሉ። “ትግራይ ክንደይ ዝኣክል ኣገዳሲት ስለዝኾነት እዩ፡ ኣብ ልዕሊኣ ስጉምቲ ምውሳድ፡ ክሳብ ሃገር ምፍራስ ዘብጽሕ?” ዝብል ሕቶ ካብ ቢቢሲ ቀሪብሉ ነይሩ። “ኣብዚ እዋን፡ ውድብ ብልጽግናን እቲ ቀዳማይ ሚኒሰተርን ዘይቆጻጸርዋ ክልል ንሳ ጥራሕ እያ” ዝብል ምላሽ ዝሃበ፡ ዶክተር ኣወል፡ እታ ክልል ሕገ-መንግስታዊ መሰላ ተረጋግጽ ከምዘላ የረድእ። ብሱረ’ውን፡ ኣንጻራዊ ናጽነት ዘለዎን፡ ኣብታ ሃገር ካብ ዘለዉ ክልላት ራብዓይቲ ዓባይ ክልል ምዃና ኣረዲኡ። ኣብ እዋን ኢህወዴግ ኮነ ሕዚ፡ እቲ ማእኸላይ መንግስቲ ኣባላት እቲ ፌዴሬሽን ዝኾና ክልላት ናይ ምዕብላል ምልካዊ ዝንበለ ከምዘሎ ጠቒሱ። “ሕዚ ንሪኦ ዘለና ግን፡ ትግራይ፡ ነቲ ናይ ፌዴራል ትእዛዝ ምንጻጋ ምስ ምትግባር’ቲ ሕገ መንግስቲ ዝሳነ’ምበር ዝጥሕስ ኣይኮነን” ኢሉ። ኣብዪ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፡ ውሳነታት ዕርያ-ኢህወዴግ ብቕልጣፈ እዩ ኣፈጺምዎም። ነዚ ድማ ብፍላይ ምስ ኤርትራ ሰላም ንምምጻእ፡ ዝወሰዶ ተበግሶ፡ ዓለማዊ ሽልማት ረኺብሉ እዩ። ዶክተር ኣዎል ግን፡ “እቲ ተበግሶ ዕርያ ካብ ልቢ ኣይነበረን፡ ካብ ሃገር ውሽጢ ኾነ ካብ ዓለም ለኸ ኣካላት ድጋፍ ንምርካብ ዝተገብረ 'ምበር ሓቃዊ ኣይኮነን። ስልጣኑ ንምድልዳል ዝተጠቐመሉ መይላ እዩ” ክብል ኣናኢስዎ። “ብፍላይ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ተወላዲ ኦሮሞ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ምስተቐትለ፡ ዳርጋ ንኹሎም ቀንዲ ተቓወምቱ ካብ ገጽ ፖለቲካ ክጠፍኡ ገይርዎም ኣሎ። ሕዚ ንኢትዮጵያ ከፍውስ ዝኽእል ሰብ ንሱ ጥራሕ ከምዝኾነ እዩ ክረአ ዝደሊ ዘሎ” ኢሉ። ቀጺሉ ድማ፡ ንኣብዪ ምስ ውልቀ መላኽቲ መራሕቲ ኣመሳሲልዎ። “ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ልክዕ ኣፍሪቃ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነጻ ምስ ወጽኣት፡ ኣብ 1960ታት ዝነበሩ ውልቀ-መለኽቲ መራሕቲ እዩ ዝመስል ዘሎ” ክብል ደምዲሙ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54138991"} {"headline":"ምምሕዳር ኣብይ ኣሕመድ ናበይ ገጹ’ዩ ዘብል ዘሎ?","content":"ድሕሪ ሞት ውሩይ ስነ ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ብዘጋጠመ ህዝባዊ ናዕቢ ኣስታት ክልተ ምኢቲ ሰባት ሞይቶም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ቀረባ እዋናት ብዝወሰዶም ስጉምትታት ኮን ዶኾን ብሰለይታ ናብ ውልቀ መላኺ የምርሕ ኣሎ ኮይኑ? ዝብል ስግኣት ፈጢሩ’ዩ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53859729"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ፡ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ዛጊድ እንታይ ጉድኣት ኣብጺሑ?","content":"ብሰኑይ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝቐረበሉ ሕቶታት መብርሂ ዝሃበ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣብ 240 ወረዳታት እታ ሃገር ከም ዝተራእየ ተዛሪቡ ነይሩ። እቶም እቲ ዕስለ ዝወረሮም ከባቢታት ድማ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮምያ፣ ዓፋርን ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋን ከም ዝኾኑ ብምግላጽ፡ ካብቶም 240 ወረዳታት ድማ ኣብ 705 ጣብያታት ጥራሕ ጉድኣት ከም ዘብጸሐ ተዛሪቡ። ኣብቶም ዝተጠቐሱ ከባቢታት ብድምር 4 ሚልዮን ሄክታር መሬት ከም ዝተሓረሰን፡ ካብዚ ኣስታት 420 ሽሕ ሄክታር ጉድኣት ከም ዝበጽሖ'ዩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ገሊጹ። ብተወሳኺ ካብ ወጻኢ ኬሚካል ዝነጽጋ ነፈርትን ድሮናትን (ሰብ ኣልባ ነፈርትን) ናብ ውሽጢ ሃገር ንምእታው ጻዕሪ ይግበር ከም ዘሎን እንተኾነ እቲ መስርሕ ቀሊል ከም ዘይኮነ እውን ተዛሪቡ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ካብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት እቲ ዝኸፍአ ዝተባህለ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ጉድኣት የብጽሕ ኣሎ። መበገሲ እቲ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ጉድኣት ዘብጽሕ ዘሎ ዕስለ ኣንበጣ፡ ኣብ 2018ን 2019ን ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ዘጋጠመ ከቢድ ንፋስን ዝናብን ከም ዝኾነ ሰብ ሞያ ይዛረቡ። ከም ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ደቡባዊ ዓረብ ዝነበረ ጠሊ ዝሓዘ ምቹእ ኩነታት ኣየር፡ እቲ ኣንበጣ ከይተፈለጠ ንሰለስተ ትውልዲ ክፋረ ዕድል ስለ ዝፈጠረሉ እዩ እቲ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ወራር ተኸሲቱ። ወራር ዕስለ ኣንበጣ ካብ ዝተኸሰተሉ ወርሒ ሰነ 2011 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ግእዝ) ጀሚሩ ናይ ምቁጽጻር ስራሕቲ እናሰርሐ ከም ዝጸንሐ ዝገልጽ ሚኒስትሪ ሕርሻ ኢትዮጵያ፡ እቲ ዕስለ ኣብ ወርሒ መስከረም 2013 ብየመንን ሶማሊያን ኣቢሉ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተወ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ገሊጹ። ነቲ ዕስለ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ብተሳትፎ ሕብረተሰብ ይስራሕ ከም ዘሎን ሰብ ሞያ'ውን ይረባረቡ ከምዘለዉን ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሓለፍቲ ኣብያተ ጽሕፈት ሕርሻ ይገልጹ። ሚኒስትሪ ሕርሻ ምስ ተሓባበርቲ ኣካላት ብምዃን ዳህሰስቲ ሄሌኮፕተራት፣ ኬሚካል ዝነጽጋ ነፈርቲ፣ ኣብ መካይን ዝግጠምን ብሰብ ዝንቀሳቐስን መንጸግን ከምኡ'ውን ኬሚካላት መከላኸሊ ክዳውንትን መካይንን ከም ዘቕረበን ይገልጽ። እንተኾነ ሕጸረት ነፈርቲ ስለዘ ዘሎ ተወሰኽቲ ንምርካብ ኣብ ጻዕሪ ከም ዘሎ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ገሊጹ እዩ። እቲ ዕስለ ንዝተወሰነ ግዜ ከም ዝቕጽል ዝሕብር ሚኒስትሪ ሕርሻ ብወገኑ፡ ነዚ ንምክልኻል ክሳብ 10 ነፈርቲን 150 ናይ ስራሕ ተሽከርከርትን ከምዘድልያ ገሊጹ። ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ክልተ ዞባታት ሃረርጌን ዞባ ሰሜን ሽዋን ከም ዝተራእየ ቢሮ ሕርሻ ክልል ኦሮምያ ንቢቢሲ ገሊጹ። እቲ ኣብ ሰሜን ሽዋ ዝተርኣየ ዕስለ ኣብ ቀረባ መዓልታት ዝኣተወ'ዩ ዝብል ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ እቲ ክልል ኣቶ ዳባ ደበሌ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰሉስ ጀሚሩ ምስ ክልል ዓፋር ኣብ ዘዋስን ዞባ ሰሜን ሽዋ ወረዳ ፋንታሌ ከም ዝኸሰተ ይዛረብ። ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ኣብ 850 ሽሕ ሄክታር መሬት ኣብ ዝተገበረ ዳህሳስ፡ 288 ሽሕ ሄክታር ዝኸውን ብኣንበጣ ከምዝተጠቕዐ እቲ ሓላፊ ተዛሪቡ። ነቲ ወራር ንምክልኻል ስራሕቲ ምንጻግ ኬሚካል ይካየድ ከም ዘሎ ኣብ ሚኒስተር ሕርሻ፡ ዋና ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ልምዓት ኣዝርእቲ ኣቶ ኢሳይያስ ለማ ንቢቢሲ ገሊጹ። ኣብ ክልተ ዞባታት ሃረርጌ ጉድኣት ካብ ዝበጸሖም ኣዝርእቲ፡ ምሸላ ሓደ ከም ዝኾነ ዝገልጽ ኣቶ ዳባ ማሕበረሰብ ዝሓቖፈ ኣገባብ ምክልኻል እቲ ወራር ሓዊሱ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ይስርሑ ኣለው ኢሉ። ብመሽን፣ መኪና፣ ኣውሮፕላንን ድሮንን ዝተሓገዘ ነጸጋ ኬሚካል ይካየድ ከምዘሎ 'ውን ገሊጹ። ሕጽረት ቀረብ ኣውሮፕላን ከም ዝነበረ ብምግላጽ ድማ \" ሄሊኮፕተር ኣለና፣ ኬሚካል ንምንጻግ ዝሕግዛ ናእሽቱ ነፈርቲ ኣለዋና፤ ሰብ ኣልባ ነፈርቲ ንምጥቃም እውን ንፍትን ኣለና\" ኢሉ። ብተወሳኺ ካብ ሚኒስትሪ ሕርሻን ቢሮ ሕርሻ ክልል ኦሮምያን ዝተዋጽኡ ሰብ ሞያ ድማ ናብቲ ወራር ኣንበጣ ዝተርኣየሉ ከባቢ ይዋፈሩ ከምዘለዉ ኣቶ ዳባ ገሊጹ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ሰሜን ሽዋ ክሳብ ሰሜን ወሎ፡ ብዕስለ ኣንበጣ ከቢድ ጉድኣት ካብ ዝበጸሖም ወረዳታት ሓደ፡ ወረዳ ሃብሩ እዩ። ኣብቲ ወረዳ ኣብ ሸውዓተ ጣብያታት ዝነበረ ኣዝርእቲ በቲ ዕስለ ባዲሙ እዩ። ሓረስታይ ዓሊ ስዒድ፡ ነባሪ ጣብያ ጥልፌ እዩ። ካብ ኣርባዕተ ናይ ሕርሻ መሬት ኣስታት 13 ጽምዲ ዘውዕል ( ልዕሊ 3 ሄክታር) ኣዝርእቱ ጠፊኡ። ሓንቲ መሬት ከም ዝተረፈቶ ዝገልጽ ኣቶ ዓሊ \"እቲ ዝተረፈ ንቀለብ ወርሒ እኳ ኣይኸውንን፤ ዓመት ምሉእ ዝደኸምናሉ ይትረፍ ንዓና ንከፍትና እኳ ከም ዘይተርፍ ገይሩ ኣጥፊእዎ\" ብምባል ዝወረዶ ዕንወት ይገልጽ። እቲ ዕስለ ኣንበጣ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከቡ 4 ዞባታት፣ 18 ወረዳታትን 136 ጣብያታትን ከም ዝተራእየ ዝገልጽ ምክትል ቢሮ ሕርሻ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ፋንታሁን መንግስቴ፡ ብሓፈሻ ልዕሊ 328 ሽሕ ሄክታር መሬት በቲ ዕስለ ከም ዝተወረረን ፍርቁ ዝኸውን ኬሚካል ብዝነጽጋ ነፈርቲ ሓዊሱ ብዝተፈላለየ መገዲ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ከም ዝተሰረሐሉ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። እቲ ዕስለ ኣብ ልዕሊ 87 ሽሕ ሄክታር እኽእልን ቀለብ እንስሳን ጉድኣት ከም ዘብጸሐ ዝሕብር ኣቶ ፋንታሁን፡ እቲ ኣስታት 30,500 ሄክታር ኣዝርእቲ ከም ዝኾነ ጠቒሱ። ብተወሳኺ ናይቲ ክልል ኮሚሽን ምክልኻል ሓደጋን ውሕስነት ምግብን፡ ኣዝርእቶም ንዝጠፈኦም ሓረስቶት ንምሕጋዝ ይሰርሕ ከም ዘሎ ገሊጹ። ሓረስታይ ንጉስ ሲሳይ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ነባሪ ወረዳ ጨርጨር እዩ። እዚ ወዲ 50 ዓመት ሓረስታይ፡ ብማሕረስ እዩ ሸውዓተ ኣባላት ቤተሰቡ ዘመሓድር። ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ፡ ክልቲኦም ዓበይቲ ደቁ ሒዙ መሬቱ እናተኸናኸነን እናዳለወን ከምዝጸንሐን፡ ምስ በቖለ ድማ በዓልቲ ገዝኡ እውን እግሪ እግሩ እናሰዓበት በብእዋኑ ክትጽህይ ምጽናሓ ይገልጽ። ካብ መጋቢት ክሳብ ግንቦት ኣብ 250 ሄክታር መሬት ጣፍ፣ዕፉንን ዓተርን ዘሪኡ ከም ዝነበረ ዝገልጽ ኣቶ ንጉስ \"ጽቡቕ ተስፋ ዝህብ ዝናብ ስለዝነበረ፡ ካብ ሓደ ሄክታር ክሳብ 80 ኩንታል ዕፉን፣ 40 ኩንታል ጣፍ ክረክብ እየ ዝብል ተስፋ ነይሩኒ። እዚ ኹሉ ብዕስለ ኣንበጣ ተበሊዑ ጠፊኡ\" ይብል። ነዚ ብቴክኖሎጂ ተሓጊዙ ዝሰረሐሉን ዓብዪ ተስፋ ዝገበረሉን ዝራእቲ፤ ሃንደበት ብዕስለ ኣንበጣ እንትውረር፡ ካብ ጉድኣት ንምድሓን ብባህላዊ መንገዲ ምስ መናእሰይን ማሕበረሰብን ብምትሕብባር ንምክልኻል 'ኳ እንተፈተኑ ውጽኢት ከምዘይተረኸቦ ገሊጹ። \"ኣብ ቀረባ ግዜ ንሳልሳይ እዋን ዝመጽአ ወራር ኣንበጣ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ስለዝኾነ ክንከላኸሎ ኣይከኣልናን። ኣብዚ እዋን ደቂ ኣንስትዮ ኣዐርየን ተጨኒቐን። ደሓን ሰብነት ዝነበረን ኣንስትና ተስፋ ቖሪጸን ጸሊመን። እንታይ ክንበልዕ ኢና? ናበይ ኢና ኽንከይድ? እየን ዝብላ ዘለዋ\" ክብል ምረቱ ገሊጹ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/54616887"} {"headline":"ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣቶ ለማ መገርሳ ካብ ሰልፊ ብልጽግና ተኣጊዱ","content":"ሰልፊ ብልጽግና ኦሮሚያ ኣቶ ለማ መገርሳ ዝርከቦም ሰለስተ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴን ላዕለዎት ኣመራርሓን ብግዝያውነት ከም ዝኣገደ ኣፍሊጡ። ብሰንበት ምሸት፡ ሓላፊ ክልላዊ ቤት-ፅሕፈት ብልጽግና ኣቶ ፈቃዱ ተሰማ ብቴሌቪዥን ክልል ኦሮሚያ (ኦቢኤን) ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያን ኣባል ፈፃሚ ስራሕ እቲ ሰልፊ ኣይተ ለማ መገርሳ፡ ከምኡ እውን ኣማኻሪት ማሕበራዊ ጉዳያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ወይዘሮ ጠይባ ሓሰን፡ ቅድም ሓላፊ ምምሕዳር መሬት ክልል ኦሮሚያ ዝነበረ ዳሕራይ ኣማኻሪ ሰልፊ ብልፅግና ኦሮሚያ ዝኾነ ዶክተር ሚልኬሳ ሚደጋ ብግዝያውነት ካብ ኣባልነቶም ከምዝተኣገዱ ሓቢሩ። ሰልፊ ብልጽግና ኦሮምያ፡ ካብ 2-3 ነሓሰ 2012 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ኣብቲ ክልል ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታትን ውሽጣዊ ጉዳያት እቲ ውድብን ንክልተ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ገምጋም፡ ንኣቶ ፈቃዱ፡ ኣይተ ለማ፣ ወይዘሮ ጠይባ ሓሰንን ዶክተር ሚልኬሳ ሚደጋን 'ሓላፍነቶም ኣይተዋጽኡን' ብዝብል ካብ ኣባልነት ፈጻሚ ስራሕን ማእከላይ ኮሚቴን ኣጊዱዎም። እቲ እገዳ፡ ብፈጻሚ ስራሕ እቲ ሰልፊ ዝጸድቕ ኮይኑ፡ እቶም ኣባላት ሓላፍነቶም ንክዋጽኡ ድልዋት ምዃኖም ኣብ ዝተኣመነሉ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክምለሱ ከም ዝኽእሉ ኣቶ ፈቃዱ ሓቢሩ። እቶም ዝተኣገዱ ላዕለዎት ኣመራርሓን ኣባላትን \"መርገጺ እቲ ሰልፊ ሒዝካ ኣብ ምቅላስ ክፍተት ከም ዝነበሮምን፤ ጉሕለት\/ስርቂ እውን ካልእ ማሕለኻ ከም ዝነበረን\" ገሊጹ። ብኻልእ ወገን፡ \"እቲ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ 800 ሰበ ስልጣን ወረዳን 117 ኣመራርሓ ዞባን ከተማን ናይ ምጽራይ ስራሕቲ ንምስራሕ ፈቲንና ኢና\" ኢሉ። ኣብቲ ንኢህወዴግ ዝተከአ ሓዲሽ መሪሕነት ጉሉሕ ስም ዝነበሮ ኣይተ ለማ መገርሳ ካብ ሓላፍነት ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ተኣልዩ ሚኒስተር ምክልኻል ሃገር ካብ ዝኸውን ንደሓር ድምጹ ብዙሕ ኣይተሰምዐን። ኣይተ ለማ፡ ምስ ምፍራስ ኢህወዴግን ውህደት ሰልፊ ብልጽግናን ብዝተኣሳሰር ሕቶ ከምዝጸንሖን ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ምቅዳው ከምዘይነበሮን ክዝረብ ጸኒሑ እዩ። እቲ ን27 ዓመታት ንኢትዮጵያ ክመርሕ ዝጸንሐ ብልፍንቲ ኣርባዕተ ውድባት ዝቖመ ኢሂወደግ ድሕሪ ለውጢ ሚያዝያ 2018 ኣብ ውሽጡ ዝጸንሐ ዘይምርድዳእ ዓብዩን ሰፊሑን ኣብ መወዳእትኡ ምፍልላይ ስዒቡ። ህወሓት ብተደጋጋሚ ክንምረሓሉ ዝጸናሕና መስመር ኣብዮታዊ ደሞክራሲ ይጠሓስ ኣሎ ኢሉ ክኸስስ ድሕሪ ምጽናሕ እቲ ውድብ ኣብ ዝምረሓሉ ስነ-ሐሳብ ስለዘይተሰማምዑ እቶም ሰለስተ ውድባት ሰልፊ ብልጽግና መስሪቶም ክቕጽሉ እንከለው፡ ህወሓት ግን ብዝኣምነሉ መስመር ሰውራዊ ደሞክራሲ ክቕጽል መሪጹ ካብቲ ውህደት ተኣልዩ ክልሉ የመሓድር ኣሎ። ካብ ሓላፍነት ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ተላዒላ ኣብ በት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ክትሰርሕ ዝጸንሐት ወይዘሮ ጠይባ ሓሰንን ዶክተር ሚልኬሳ ሚደጋን ኣባላት ማእኸላዊ ኮሚቴን ላዕለዎት ኣመራርሓን እቲ ሰልፊ እዮም።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53703416"} {"headline":"ጃዋር መሐመድ፡ ቤት ፍርዲ ባንኪ ሒሳብ ጃዋር መሓመድ ከም ዘይኣገደ ገሊጹ","content":"ቀዳማይ ደረጃ ቤት ፍርዲ ፌደራል መጋብእያ ኣራዳ ትማሊ ኣብ ዝነበሮ ቖጸራ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ጃዋር መሓመድ ዝተኸፈተ መዝገብ ቅድመ መርመራ ዝምልከት ቃል መሰኻኽር ዓቃቢ ሕጊ ሰሚዑ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቖጸራ ጥርጡራትን ዓቃቢ ሕግን ንዘልዓሉዎም ቅርታታት ዝምልከት ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ። እቲ ሓደ ኣቶ ጃዋር መሓመድን ኣቶ በቀለ ገርባን ቅድሚ ሕጂ ሚዲያታት ካብ ፍቓድና ወጻኢ ስእሊ ይወስዱን ቪድዮ ይቐርጹን ኣለው ዝብል እዩ። ነዚ ብዝምልከት እቲ ጉዳይ ጥርጡራት ናጻ ኾይኖም ዝርኣይሉ መሰሎም ዝዳፋእ ስለ ዝኾነ፡ ሚዲያታት ካብ ውዕሎ ቤት ፍርዲ ወጻኢ ፍቓድ ከይሓተቱ ስእሊ ክስእሉ ኮነ ምስሊ ክቐርጹ ከም ዘይኽእሉ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ። ብኻልእ ወገን ኣብቲ መጋብእያ ብብዝሒ ዝቐርቡ ዘለው ኣባላት ፖሊስ ፌደራል'ዮም፤ ስለዚ ኣባላት ስድራ ክኣትው ይፈቐደልና ዝብል ኮይኑ፡ እቶም ኣባላት ፖሊስ ብብዝሒ ዝርከብሉ ዘለው ምኽንያት ንድሕነትን ሓለዋን ከም ዝኾነ ብምግላጽ ካብ ኣርባዕተ ዘይበዝሑ ኣባላት ስድራ ጥርጡራት ክኣትው ክፍቀደሎም ኣዚዙ። ብተወሳኺ፡ ጋዜጠኛ ኦኤምኤን መለሰ ድሪባ ቅድሚ ሕጂ ብተደጋጋሚ ብቴሌፎን ምስ ስድርኡ ክራኸብ ከም ዘይኽኣለ ጥርዓን ኣቕሪቡ ነይሩ። እቲ ቤት ፍርዲ እቲ ጋዜጠኛ ምስ ስድርኡ ክራኸበሉ ዝኽእል ኩነታት ክፈጥር ተወሳኺ ትዝዛዝ ሂቡ። ካልእ፡ ኣብቲ ትማሊ ዝወዓለ መጋብእያ ጠበቓታት ዘልዓልዎ ጉዳይ ቴሌፎን'ዩ። እቶም ጠበቓታት፡ ዓቀብቲ ሕጊ ቴሌፎን ሒዞም ክኣትው እናተፈቐደሎም ንሕና ንኽልኸል ኣለና ዝብል ጥርዓን ዘቕረቡ ኮይኖም፡ ክልቲኤና ማዕረ ይፈቐደልና ወይ'ውን ማዕረ ክንክልከል ኣለና ኢሎም ተቓዊሞም። እንተኾነ እቲ ቤት ፍርዲ ክልቲኦም ወገናት ቴሌፎን ሒዞም ክኣትው ከም ዘይኽእሉ ኣዚዙ። ፖለቲከኛ ጃዋር መሓመድ ትማሊ ኣብ ዘቕረቦ ጥርዓን ድማ፡ ሲራጅ ዝብሃሉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንብረቶም ክእገድ ተገይሩ ዝብል እዩ። ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ሃረርጌ ዝርከባ ወረዳታት ብምጥቃስ ከምኡ'ውን ኣብ ኣርሲ ዘለው ሰብ ሃብቲ፡ ብናይ ጃዋር ገንዘብ ኢኹም ትነግዱ ተባሂሎም ንብረቶም ከም ዝተኣገደን ይውሰድ ከም ዘሎን ብምግላጽ እዚ ተግባር ጠጠው ክብል ኣለዎ ኢሉ። ብተወሳኺ፡ ናይ ስድርኡ ኾነ ናይ ውልቂ ሒሳብ ባንኪ ከም ዝደስከለ ብምግላጽ፡ ፖሊስ መርመራ ስለ ዝወድአ እቲ ትእዛዝ ንክለዓል ሓቲቱ። እቲ ቤት ፍርዲ ብወገኑ፡ ባንኪ ሒሳብ ኣባላት ስድርኡ ኮነ ናይ ውልቁ ከም ዘይደስከለ ሓቢሩ፤ ዝኣገዶ ኣካል እንተሃልዩ ግን ክሓትት ከም ዝኽእል ገሊጹ። ኣቶ በቀለ ገርባ ብወገኑ፡ ብሚዲያታት ኣብ ልዕሌና ሓያል ጸለመ ይግበር ኣሎ ኢሉ። \"እዚ መንግስቲ ኣብ መረጻ ንከይንሳተፍ ወይ'ውን ተቓወምቲ ሰልፍታት ኣብ መረጻ ንከይሳተፉ ዝጥቀመሉ ዘሎ ሜላ'ዩ\" ዝብል ቅርታ ኣቕሪቡ። \"እዚ ብሚዲያታት ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ህይወትናን ህይወት ስድራናን ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ ኣሎ። ስለዚ መንግስቲ ነዚ ጠጠው የብለልና\" ኢሉ። እቲ ቤት ፍርዲ ክትዕ ክልቲኡ ወገን ብምስማዕ፡ ዝተረፈ ቃል መሰኻኽር ዓቃቢ ሕጊ ንምቕባል ንጽባሕ ቖጸራ ሂቡ ኣሎ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53896940"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ አብ ልዕሊ ዝኣሰሮም 'ክሲ ክምስርት ወይ ብህጹጽ ክፈትሕ’ ተሓቲቱ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ብዘጋጠመ ቅልውላው ዝተኣሰሩ ፖለቲከኛታት፣ ጋዜጠኛታትን ካልኦትን፡ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኩነታት ከምዘለዉ መንግስቲ ሓበሬታ ክህብ፡ ንመሰል ሰባት ዝሕለቕ ዓለማዊ ትካል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ። እቲ ትካል ከምዝበሎ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ክልል ኦሮሚያን ብውሕዱ 5 ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ዝጠቐሰ ኣምነስቲ፡ ካብዚኦም መብዛሕተኦም ኣበይ ከምዘለዉ ኣይፍለጥን ኢሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቶም እሱራት ዘለውሉ ኩነታት ንቤተሰቦም ስለዘየፍለጠ፡ ሻቕሎት ይፍጠር ምህላዉ ብምግላጽ “ብህጹጽ ዘለዉሉ ቦታ ኣፍሊጡ ክሲ ክምስርተሎም እንተዘየለ ግን ብህጹጽ ክፍትሑ” ክብል ሓላፊ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ዲፕሮስ ሙቼና ሓቲቱ። ኣምነስቲ ወሲኹ ድማ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣስጋኢ ኮይኑ ኣብ ዘለሉ ኣብ’ዚ እዋን፡ እሱራት ተጸቓቒጦምን ጽርየቱ ኣብ ዘይተሓለወን ኩነታት ክእሰሩ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስግኣት ከምዘሎ ገሊጹ። መግለጺ ኣምነስቲ ከምዝብሎ፡ ሓለፍቲ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣበይ ከምዘለዉ ጠበቓታቶም ኣይፈልጡን። ፖሊስ ፌደራል፣ ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ፖሊስ ኦሮሚያን፡ እቶም ሰባት ምሳና የለዉን ከምዝበሉ’ውን ተገሊጹ’ሎ። “ሰባት ተኣሲሮም ክጸንሑ ዘለዎም፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ እቶም ተጠርጠርቲ ጥንኩር መረዳእታ እንተሃልይዎ ጥራይ እዩ። ካብዚ ወጻኢ፡ ፖሊስ መርትዖ ኣብ ዝእልሸሉ እዋን፡ ዜጋታት ናጽነቶም ተገፊፎም ክእሰሩ ኣይግባእን” ኢሉ ዲፕሮስ ሙቼና። ኣምነስቲ ኣብ መግለጺኡ፡ እቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ክሲ ክምስረተሎም እንተዘየሎ ግን ክፍትሑ ሓቲቱ። ወሲኹ ድማ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ’ቲ ልሙድ ናይ ጭቆና መገዲ ክምለስ የብሉን። መሰል ምቅዋምን ዝተፈለየ ፖለቲካዊ ሓሳብ ናይ ምስጓምን መሰል ከኽብሩ ኣለዎም” ኢሉ እቲ ሓላፊ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ከምዝበሎ፡ ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ዘጋጠመ ዕግርግር፡ ብሓይልታት ጸጥታን ኣብ ገለ ቦታታት ድማ ብሰንኪ ማሕበረሰባዊ መጥቃዕትን ብውሕዱ 177 ሰባት ከምዝተቐተሉን ብኣማኢት ዝቑጸሩ መማ ከምዝቖሰሉን ገሊጹ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53462534"} {"headline":"ኣብ ነቀምቴ ኣባላት ‘ኣባ ቶርቤ’ እዮም ዝተብሃሉ 4 መናእሰይ ተቐቲሎም","content":"ብዓርቢ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ነቀምቴ፡ መንግስቲ ‘ኣባላት ኣባ ቶርቤ ዝበሃል ንሰበስልጣን ዝቐትል ጉጅለ እዮም’ ንዝበሎም ኣርባዕተ መናእሰይ ቀቲሉ። ቤት ጽሕፈት ኮሚዩኒኬስን ናይ’ቲ ክልል “ሓይልታት ጸጥታ ምስ ህዝቢ ተዋዲዶም ብዝገበርዎ ጥንኩር ስርሒት፡ ዓብዪ ሓደጋ ንምውራድ ዝዳሎ ዝነበረ ዕጡቕ ሓይሊ ሽፍታ ስጉምቲ ተወሲድዎ” ኢሉ። መንግስቲ ናይ’ቲ ክልል፡ እቶም ኣርባዕተ መናእሰይ ኣብ ዝተኻረይዎ ገዛ፡ ነቲ ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ እናተዳለዉ እንከለዉ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ቀይዲ ከእትውዎም እንትፍትኑ፡ ተኹሲ ብምኽፋቶም እዮም ተቐቲሎም እዩ ዝብል። “ኢድ ኣይንህብን ኢሎም. . . እናተኮሱ’ውን ነይሮም። ሽጉጥን ቦምባን ሓዊሱ ዕጥቅታት ነይርዎም” ክብል ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ከተማ ነቀምቴ ኮማንደር ግርማ አብዲሳ ንቢቢሲ ተረሪቡ። በቲ ተኹሲ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ፖሊስ ዝበጽሐ ጉድኣት ግን የለን። ካብቶም ዝተቐተሉ ኣርባዕተ ሰባት፡ ራጉኤል ኃይሉ ዝበሃል መንእሰይ፡ ‘እቲ ኣባ ቶርቤ ዝበሃል ጉጅለ ንዝፍጽሞም መጥቃዕትታት ዝመርሕ ዝነበረ እዩ’ ክብል ቤት ጽሕፈት ኮሚዩኒኬሽን ናይ’ቲ ክልል ኣብ ፌስቡኩ ጽሒፉ። ቅድሚ ሰሙን፡ እቲ ‘ኣባ ቶርቤ’ ዝበሃል ጉጅለ፡ ንኽልተ ኣዘዝቲ ፖሊስ ከምዝቐተለ ኮማንደር ግርማ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ኣብ መንበሪ እቶም ዝተቐተሉ መናእሰይ፡ ክልተ ቦምባ፡ ሰለስተ ሽጉጥን ናይ ቀደም ክዳን ሰራዊት ኢትዮጵያን ከምዝተረኸበ ኮማንደር ግርማ ተዛሪቡ። ነበርቲ እንታይ ይብሉ? ሓደ ካብቶም መወትቲ መሓዝኡ ከምዝኾነ ዝዛረብ፡ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ነባሪ ነቀምቴ፡ እቶም ዝተቐተሉ መናእሰይ ዕድመኦም ካብ 23 ክሳብ 24 ዓመት እዩ ይብል። “ቆልዑ እዮም። ኣኽበርቲ ሰብ እዮም። ተማሂሮም ዝተመረቑ’ውን ኣለዉ” ኢሉ። ካልእ ነባሪ ናይ’ታ ከተማ ድማ፡ እቶም መናእሰይ ቅድሚ ሓደ ሰሙን እዮም ነቲ ገዛ ተኻርዮምዎ ይብል። “ነቶም መናእሰይ እፈልጦም እየ፤ ከም’ቲ ዝተብሃልዎ ዓይነት ሰባት ኣይኮኑን ይብል። “ሰዓት ሓሙሽተን ፈረቓን [ወተሃደራት] ብሓሙሽተ ፓትሮል መኪና መጺኦም፡ ነቲ ገዛ ከቢቦምዎ” ዝብል እዚ ነባሪ፡ ሓይልታት ጸጥታ ድሕሪ ስጉምቲ ምውሳዶም ድማ፡ ኣብ መረባ ሬሳ ከምዝረኣየ ይዛረብ። እቲ 'ኣባ ቶርቤ' ወይ ድማ (በዓል ሰሙን) ዝበሃል ጉጅለ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብሕቡእ ንሰበስልጣን ከምዝቐትል እዩ ዝንገረሉ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54681450"} {"headline":"ብሄራዊ ኩርዓት ኦሮሞ ብቅዲ ክዳን እንትግለጽ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ፡ እቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ ዘለዎም ህዝቢ ኦሮሞ፡ ክሳብ ቀረባ ዓመታት ባህሎምን መንነት ብሄሮምን ኣውጺኦም ንምዝራብ ኮነ ንምጉላሕ ስክፍ ይብሉ ነይሮም። እዚ ድማ፡ ቋንቋ ኣፋን ኦሮሞ ንምዝራብ’ውን ዝሓውስ’ዩ። መብዛሕትኦም፡ ኣብ ማእከል ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ኾይኖም ብቋንቁኦም ክዛረቡ ከም ዝሰግኡ ክገልጹ እንከለው፡ እዚ ድማ ኢትዮጵያውያን ኣይኮንኩምን ካብ ዝብል ተረኽ ዝነቅል ምዃኑ ይዛረቡ። እንተኾነ፡ ካብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ንደሓር ፖለቲካዊ ንቕሓት ተሓዊሱዎ፡ ብዙሓት መናእሰይ ኦሮሞ፡ ብባህሎምን ታሪኮምን ኩርዓት ከም ዝስምዖም ክገልጹ፤ ንባህላዊ ክዳን እቲ ህዝቢ ድማ ብሓድሽ ቅዲ ከመላኽዑዎ ጀሚሮም። እዚ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ዝተኸብረ መዓልቲ ምስጋና (በዓል ኢሬቻ) ጎሊሑ ተራእዩ እዩ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ከም ኣንቲኮ ዲዛይን ዝበሉ ሰብ ሞያ ዘበናዊ ቅዲ ዓለባ፡ ነቲ ዝነበረ ብምውሳድ’ዮም ዘመናዊ መልክዕ ዘትሕዙዎ። ቀይሕ፣ ጸሊምን ጻዕዳን፡ ኣብ ህዝቢ ኦሮሞ ልዑል ቦታ ዘለዎምን መግለጺኡን ኮይኖም ክውሰዱ ከለው፡ ደቂ ኣንስትዮ ዝሕዝኦ ስንቄ ተባሂሉ ዝጽዋዕ በትሪ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረሰተብ ጓል ኣንስተይቲ ንርእሳ ንምክልኻል እትጥቀመሉ ባህላዊ ውርሻ ምዃኑ ይእመን። እዚ ኣብ ላዕሊ እትርእዩዎ ዘለኹም ብቅዲ ክዳን ኩሽ ዝተሰርሑ ባህላዊ ክዳውንቲ ኦሮሞ’ዮም። ሰኣሊ ኤሊያስ ባድሃሳ “ቅድም ኢሉ ናትና ዘይኮነ ናይ ካልኦት ብሄራት ኢትዮጵያ ባህሊ ክስኣል’የ ዝርኢ ነይረ” ይብል። “ድሕሪኡ ስለምንታይ ኢና ናይ ባዕልና ዘይነዕቢ ኢለ ንርእሰይ ሓቲተ። ኦሮሞ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሓሊፉ ዝርአ ህዝቢ ክኸውን እውን ደልየ” ኢሉ። ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብርክት ዝበሉ ባህላዊ ትሕዝቶታት ኣለው። እዘን ኣብ ላዕሊ ቓርሒት ሒዘን እትርዩወን ዘለኹም ደቂ ኣንስትዮ ካብ ምብራቕ ኦሮሚያ ዝመጽኣ እየን። እቲ ዝተዓጠቕኦ መቐነት ድማ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እቲ ክልል ዝዝውተር እዩ። በዓል ኢሬቻ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ዝሳተፍሉ’ኳ እንተኾነ ኣብዚ ዓመት ግን ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ቁጽሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንበዓል ኢሬቻ ዘኽበረ ሰብ ውሑድ’ዩ ነይሩ። ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት፡ ኣብቲ ጽምብል ኣብ መንጎ ፖሊስን ሰልፈኛታትን ብዝተፈጥረ ዕግርግር፡ ኣስታት 55 ሰባት ሞይቶም’ዮም። ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እዚ ቁጽሪ ብኣማኢት ከም ዝግመት ይገልጹ። እዚ ክስተት፡ ህዝቢ ኦሮሞ ፖለቲካውን ቁጠባውን ወጽዓ ይበጽሖ ኣሎ’ዩ ናብ ዝብል ዓመጽ ዓብዩ። ድሕሪኡ’ዩ ካብቲ ክልል ዝወጽአ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ደይቡ። እንተኾነ ሕጂ’ውን ኦሮሚያ ኣይተረጋግአትን። መነእሰይ ኦሮሞ ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ናይ'ቲ ክልል ንክኽበር ዝገብሩዎ ቃልሲ ኣብ ሃገራት ወጻእ ብዝቕመጡ ተወለድቲ እቲ ክልል’ውን ዝድገፍ እዩ። እዚ ኣብ ታሕቲ እትርእዩዎ ዘለኹም ስእሊ ድማ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ሚነሶታ ዝተስኣሉ ንባህላዊ ክዳን ኦሮሞ ዘላልዩ ቅዲ እዩ። ጓል 27 ዓመት ዲዛይነር ሰናቄቤኪ ግርማ ኣብ ዙርያ ቅዲ ክዳን ኦሮሞ ዝመጽአ ለውጢ ኣረኣእያ “ንምእማኑ ዝኸብድ” እዩ ትብል። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ “ብዙሓት ብናይ ኦሮሞ መንነቶም ይኾርዑ ኣለው” ትብል።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54612132"} {"headline":"ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ፡ ንሰበስልጣን መንግስቲ ሓላፍነቶም ዘንጊዖም ክትብል ነቒፋ","content":"ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቀረባ እዋናት ተፈጢሮም ኣብ ዝነበሩ ጎንጺታት ሰበስልጣን መንግስቲ ሓላፍነቶም ብብቕዓት ኣይተዋጽኡን ኢላ። እታ ቤተክርስትያን ንሞት ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኣብ ዝተወለዐ ናዕቢ ኣብ ልዕሊ ሰዓብታ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ኣብቲ ሎሚ ረቡዕ ዘውጽኣቶ መግለጺ ሓቢራ። መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ነቲ ክሲ፡ መሰረት ዘይብሉ ክብሉ ነጺጎዎ። ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብ22 ሰነ 2012 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስተቐተለ ኣብታ ከተማን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝርከቡ ገለ ከባብታንን ዘይምርግጋእ ከምዝተፈጠረ ይዝከር። እቲ መግለጺ 'ኣብ ገለ ዞባታት ክልል ኦሮሚያ ተዋዲዶም ብዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ንዝተጎድኡ ምእመናን እታ ቤተክርስትያን እግሪ ንምትካል ዓሊሙ ከምዝተዘርግሐ ድማ ተሓቢሩ'ሎ። ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ብምኽንያት እምነቶም ጥራይ ብዘስካክሕ ኩነታት ከምዝተቐተሉ፣ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝተፈጸመን ንብረቶም ከምዝዓነወን እታ ቤተክርስትያን ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ኣዘኻኺራ። \"ብዙሓት ካብ መንበሪ ገዝኦም ተፈናቒሎም ኣብዚ እዋን ክረምቲ ኣብ ቀጽርታት ኣብያተ ክርስትያን፣ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ትካላትን መንበሪ ገዛ ውልቀሰባትን ኣዕቚቦም ይርከቡ፤ ንኸቢድ ማሕበራውን ስነልቦናውን ቅልውላው ድማ ተሳጢሖም ኣለዉ\" ይብል እቲ መግለጺ። እታ ቤተ ክርስትያን፡ ሰበስልጣን መንግስቲ ፍትሒ ክረጋገጽ ንምግባር ግቡእ ስጉምትታት ኣይወሰዱን ክትብል ትነቅፍ። ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ፤ ንጥፍኣተኛታት ከምዘይዕገሱ፣ ግቡእ ፍትሒ ከምዝህቡን ንዝተጎድኡ ከምዝክሕሱን ዝኣተውዎ ቃል ንኸተግብሩ ብትዕግስቲ ክትጽበይ ምጽንሓ ዘዘኻኸረት ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ፤ እንተኾነ ነቲ ዝኣተውዎ ቃል ብእዋኑን ብብቕዓትን ክፍጽሙ ከምዘይረኣየት ሓቢራ። ካብ 22 ክሳብ 24 ሰነ 2012 ኣብ ዝነበሩ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ዝነበረ ጎንጺ፡ ብውሑድ 67 ኣመንቲ ከምዝተቐተሉ፣ 38 ኸቢድ 29 ድማ ቐሊል ኣካላዊ መጉዳእቲ ከምዝበጽሖም እቲ ሎሚ ረቡዕ ዝወጸአ መግለጺ ኣመልኪቱ። ልዕሊ 7 ሽሕ ኣመንቲ ካብ መንበሪኦም ካብ ምፍንቓሎም ብተወሳኺ ንስነልቦናውን ኣእምሮኣውን ቅልውላው ከምዝተሳጥሑ ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ'ሎ። ልዕሊ 5 ቢልዮን ዝግመት ንብረት ብዘመተን ብቓጸሎን ከምዝሰኣኑ ነቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ንምጽናዕ ኣብ ትሕቲ ቤት ጽሕፈት ዋና ቤተክህነት ዝተጣየሸ ዓብዪ ኮሚቴ ኣፍሊጡ'ሎ። ሓላፊ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ኦሮምያ፡ ኣይተ ጌታቸው ባልቻ፡ ነቲ ዝወጽአ መግለጺ ከምዘይቕበልዎ ንቢቢሲ ገሊጹ። \"ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ዘውጽአቶ መግለጺ ንሓቃዊ ኩነታት እቲ ክልል ዘየረጋገጸ ከምኡ'ውን ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕትን ዝርከበሉ ደረጃን ዘየርእይ ምዃኑ ኢና ክንሕብር ንፈቱ። ስለዚ እቲ ስምዕታ ንመንግስቲ እቲ ክልል ከምዘይምልከት ኢና ንወስዶ\" ኢሉ። ኣይተ ጌታቸው ባልቻ ብምቕጻል፡ \"ንሕና ነቶም ዝተጎድኡ እግሪ ነትክሎም ዘለና ሰብ ብምዃኖምን ኣብ ክልልና ስለዝነብሩን ጥራይ እምበር ብብሄር ወይ ብሃይማኖት ፈሊና ኣይኮነን። ነዚ ሓላፍነትና እውን እናፈጸምና ኢና። . . . ንጥፍኣተኛታት ናብ ሕጊ ነቕርብ ኢና ዘለና። ነቶም ካብ ገዝኦም ዝተመዛበሉ እውን ምስ ህዝቢ ብምትሕብባር ብዘይኣፈላላይ ሃይማኖት ናብ ገዝኦም ናይ ምምላስን ምሕጋዝን ንሰርሕ ኣለና። ስለዚ እቲ ዝወጸ መግለጺ ንሓቃዊ ኩነታት ክልልና ዘየገናዘበን ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ኢልና ኢና ንወስዶ\" ዝብል ምላሽ ሂቡ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53890102"} {"headline":"ጃዋር መሓመድ ዝርከቦም 18 ተኸሰስቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኖም ጉዳዮም ክከታተሉ ተወሲኑ","content":"ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ዙርያ ኣቶ ጃዋር መሓመድ ዝተኸፈተ ክሲ ንምንባብ ን21 መስከረም 2013 ዓ.ም ቖጸሮ ሒዙ። እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ እቶም ተኸሰስቲ ዝተመስረተ ክሲ ንምንባብ ንሎሚ መዓልቲ ቖጸሮ ሒዙ'ኳ እንተነበረ ካብ ጠበቓታት ተኸሰስቲ ብዝቐረበ ሕቶ ናብ ካልእ ግዘ ተመሓላሊፉ። ብኻልእ ወገን እቲ ቤት ፍርዲ ድሕሪ ሕጂ ኣቶ ጃዋር መሓመድ ሓዊሱ ካልኦት 18 ተኸሰስቲ ጉዳዮም ኣብ ቤት ህጸንት ኮይኖም ክከታተሉ ኣዚዙ። ቅድሚ ሕጂ በዓል ኣቶ ጃዋር መሓመድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ከባቢ ሜክሲኮ ኣብ ዝርከብ ማእከል መርመራ ገበን ፖሊስ ፌደራል እዮም ዝቐርቡ ነይሮም። ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝወዓለ መጋባእያ ኣብ ትሕቲ መዝገብ በዓል ኣቶ ጃዋር መሓመድ ዝተኸሰሰሉ ዝርከቡ ተኸሰስቲ ኣቶ ደጀኔ ጣፋን ኣቶ መስተዋርድ ተማምን ንኻልኣይ ግዜ ኣይቐረቡን። ካብ ሃገር ወጻኢ ዝርከቡ ተኸሰስቲ ብዝምልከት ድማ ፖሊስ እዞም ተኸሰስቲ ንምቕራብ ዝተዋህቦ ናይ ቖጸራ ግዙ ሓጺር ስለ ዝኾነ ከፈጽሞ ኣይክኣልኩን ኢሉ። ጠበቓታት ብወገኖም እዞም ሰባት ኣብ ወጻኢ ሃገር ምህላዎምን እቲ ክሲ ኣብ ዘየለውሉ ዝተኸፍተ ምዃኑን እናተፈልጠ፡ ፖሊስ ሒዙ ከቕርቦም ብዝብል ምኽንያት ቖጸራታት ክናውሑ ምግባር ልክዕ ኣይኮነን ኢሎም ተካቲዖም። ጉዳይ ኣቶ ደጀኔ ጣፋን መስተዋርድ ተማምን ብዝምልከት ድማ ክልቲኦም ተኸሰስቲ ብካልእ መዝገብ ስለ ዝተኸሰሱ ኣብቲ ንሎሚ መዓልቲ ዝተዋህበ ቖጸራ ክቐርቡ ከም ዘይክኣሉ ዓቃቢ ሕጊ ኣረዲኡ። ብኻልእ ወገን ኣቶ ደጀኔ ጣፋ ቤተሰቦም ክሓቱዎን ከም ዘይክኣሉን መሰረታዊ ነገራት ከም ዘይረኸበን ጠበቕኦም ተዛሪቡ። ኣብቲ መጋብኣያ ዝተዛረበ ኣቶ ሸምሰዲን ጠሃ ሓሚሙ ናብ ሕክምና ይመላለስ ከም ዘሎ ብምግላጽ ናይ ሕክምና ቖጸሮ እናሀለዎ ከም ዝተኸልአን እቲ ሕማም ይጸንዖ ከም ዘሎን ጥርዓኑ ኣቕሪቡ። ክሲ ንክስማዕ ቖጸሮ ሒዙ ዝነበረ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣቶ ደጀኔን ኣቶ መስተዋርድን ስለ ዘይተረኸቡ እቲ ዝቐረበሎም ክሲ ይነበብ ኣይነበብ ዝብል ክትዕ ዝነበረ ኮይኑ፡ ጠበቓታት እቶም ተኸሰስቲ ካልእ ቖጸሮ ይወሃበና ኢሎም። ዓቃቢ ሕጊ ተኸሰስቲ እቲ ክሲ ምስ በጽሖም ብግዝያውነት ካብ ዝጸንሕሉ ቦታ ናብ ቤት ህንጸት ክውሰዱ ኣለዎም ክብል ሃቲቱ። ጠበቓታት ብወገኖም ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዘለው ተኸሰስቲ ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ጽልዋ ፈጠርቲ ስለ ዝኾኑ ንድሕነቶም ብዝብል ኣብቲ ዝነበርሉ ቦታ ክጸንሑ ኣለዎም ብምባል ተቓዊሞም። ቤት ፍርዲ ድማ ክትዕ የማነ ጸጋም ምስ ሰምዐ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ። በዚ መሰረት እቶም ተኸሰስቲ ናብ ቤት ህንጸት ክዛወሩ ወሲኑ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሽብር ዝተኸሰሰ ኣቶ እስክንድር ነጋ ጉዳዩ ኣብ ቤት ህንጸት ቅሊንጦ ኮይኑ ክከታተል ከም ዝወሰነ ይዝከር። ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝርከቡ ተኸሰስቲ ዝምልከት ድማ ፖሊስ ኣብ ዝቕጽል ቖጸሮ ዝበጽሖ ደረጃ ከብርህ ትእዛዝ ተዋሂቡዎ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54282173"} {"headline":"ጃዋር መሐመድ፡ ኣብ ኦሮሚያን ድሬዳዋን ብዝነበረ ጎንጺ ብውሑድ 4 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባታት ሃረርጌ፣ ምዕራብ ኣርሲን ከተማ ድሬዳዋን ብዘጋጠመ ጎንጺ ብውሑዱ ኣርባዕተ ሰባት ከም ዝሞቱን ብዙሓት ከም ዝቆሰሉን ካብ ፖሊስ፣ ሆስፒታልን ነበርትን ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት። ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር መንግስቲ ዝርከብ ፖለቲከኛ ጃዋር መሓመድ ሓሚሙ ዝብል ዜና ምስ ተሰምዐ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ኣብ ከተማ ጭሮ ብዙሓት ሰባት ተቓውሞ ኣካይዶም። በዚ ምኽንያት ብውሑዱ ክልተ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ምንጪታት ሆስፒታል ንቢቢሲ ሓቢሮም። ምክትል ዳይሬክተር ሆስፒታል ጭሮ ዶክተር ሳዳም ኣሉዋን፡ ብጥይት ተሃሪሞም ናብ ሆስፒታል ካብ ዝመጽኡ 24 ሰባት እቶም ክልተ ከም ዝሞቱ ተዛሪቡ። ዶክተር ሳዳም፡ \"ካብቶም ዝሞቱ እታ ሓንቲ ዓባይ ሰበይቲ'ያ። ኣብ ክሊ ዕድመ 40ታት ትርከብ። ኣብ ሑቕኣ ተሃሪማ እያ ተቐቲላ። እቲ ሓደ ድማ ኣብ ክሊ ዕድመ 20ታት ዝርከብ መንእሰይ ኮይኑ ንሱ'ውን ብድሕሪት'ዩ ተወቒዑ\" ኢሉ። ንሱ ከም ዝብሎ እንተኾይኑ ሓደ ብጽኑዕ ዝሓመመ ካልእ መንእሰይ ሕክምናዊ ክትትል ንክግበረሉ ናብ ኣዳማ ተላኢኹ ኣሎ። እቶም ዝተረፉ መብዛሕትኦም ኢዶምን እግሮምን ዝተሃረሙን መስበርቲ ዓጽሚ ዘጋጠሞምን ከም ዝኾኑ ገሊጹ። ንድሕነቱ ብዝብል ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሓደ ነባሪ ከተማ ጭሮ ብሰኑይ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት 11፡00 [ብኣቆጻጽኣረ ኢትዮጵያ] ቀበሌ 03 ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ጎንጺ ነይሩ ኢሉ። ትማሊ'ውን ኣብ ከባቢ ጭሮ ብርክት ዝበሉ ተቓውሞ ንምክያድ ዝመጽኡ ሰባት ከም ዝነበሩን፡ ሓይልታት ጸጥታ ነቶም ዝቓወሙ ዝነበሩ ንምብታን ተኹሲ ከም ዝኸፈቱን ተዛሪቡ። ፖሊስ ምምሕዳር ድሬዳዋ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብታ ከተማ ብዝተላዕለ ናዕብን ዕግርግርን ህይወት ክልተ ሰባት ከም ዝጠፍአን ካልኦት ኣርባዕተ ከም ዝቖሰሉን ኣፍሊጡ። \"ናይ ጥፍኣት ዕላማ ዝሓዙ ሓይልታት ኣብ ውሽጢ እቲ ሰላማዊ ሕብረሰተብ ተሓቢኦም \"12.12.12\" ብዝብል ካብ ደገ ዝተዋህቦም ልኡኽ ጥፍኣት ንከፈጽሙ ላዕልን ታሕትን ክብሉ'ኳ እንተውዓሉ፡ ብሓይልታት ጸጥታን ብድጋፍ ነባሪ ከተማናን ፈሺሉዎም እዩ\" ኢሉ። ፖሊስ እታ ከተማ ወሲኹ፡ ድሕነት እታ ከተማ ንምሕላውን ሕጊ ንምኽባርን 'ንሴኮንድ'ውን ዕጽፍ ከም ዘይንብል ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ\" ኢሉ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ኣብ ከተማ ኣወዳይ ንተቓውሞ ዝወጽኡ ሰባት ምስ ሓይልታት ጸጥታ ተጋጭዮም ተባሂሉ። ሓደ ነባሪ ኣወዳይ፡ ብሰኑይ ኣቶ ጃዋር መሓመድ ሓሚሙ ዝብል ዜና ምስተሰምዐ 'ጃዋር ክሕከም ኣለዎ'፣ 'ካብ ቤት ማእሰርቲ ይፈታሕ' ዝብሉ ጭርሖታት ዘስምዑ መናእሰይ ክእከቡ ከም ዝጀመሩን ሓይልታት ጸጥታ ሰባት ንምብታን ተኹሲ ከም ዝኸፈቱን ንቢቢሲ ገሊጹ። \"እቶም መናእሰይ እናጨርሑ ምስተለፉ ፍሉይ ሓይሊ ኦሮሚያን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ጠጠው ከብሉዎም ጀሚሮም። ድሕሪኡ ተኹሲ ተኸፊቱ 10 ዝኾኑ ሰባት ከኣ ብጥይት ተሃሪሞም\" ክብል፡ ክልተ ከም ዝሞቱ ገሊጹ። ብሰሉስ'ውን ኣብታ ከተማ ሰልፊ ተቓውሞ ክካየድ ተፈቲኑ ከም ዝነበረ ሓቢሩ። \"ሰዓት 4፡00 ናይ ንጉሆ ጀሚሩ ሰልፊ ይካየድ ነይሩ፤ በሽር ኣብ ዝበሃል ከባቢ ተኹሲ ተኸፊቱ ሓደ ሰብ ሞይቱ። ኣብዚ ሰዓት እታ ከተማ ጭር እትብል ምንቅስቓስ የለን፤ ድኳናት ተዓጽዮም'ዮም\" ኢሉ። ኣብ ሃረር'ውን፡ ሰልፊ ተቓውሞን ኣድማ ዕዳጋን ክግበር ኣለዎ ዝብሉ ሰባት ምስ ተኣኻኸቡ፡ ሰራዊት መንግስቲ ከም ዝበተኖም ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም። መጉዳእቲ ዝበጽሖም ሰባት ድማ ኣብ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ሃረማያ ሕክምናዊ ምክትታል ይግበረሎም ኣሎ ኢሎም። ብተመሳሳሊ ኣብ ሻሸመኔ ኣቶ ጃዋር መሓመድ ሓሚሙ ዝብል ዜና ምስ ተሰምዐ፡ \"ሰባት ናብ ጽርጊያ ክወጽኡ\" ከም ዝጀመኑ ተገሊጹ። ሓንቲ ነባሪት እታ ከተማ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ሃንደበት ብዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ ሓደ መንእሰይ ብጥይት ተሃሪሙ ክወድቕ ከም ዝርኣየት ተዛሪባ። ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኦሮሚያ ኣቶ ጌታቸው ባልቻ፡ ኣብ ዞባታት ኣርሲን ሃረርጌን ግጭት ከም ዝተልዓለ ብምግላጽ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ብዛዕባ ዝበጽሐ ጉድኣት ሓበሬታ ከም ዘይብሉ ገሊጹ። \"ኣብ ሻሸመኔ ነይሩ ብዛዕባ ዝተባህለ ግን ሓበሬታ የብለይን። ኣብ ከተማታት ዶዶላን ኣሳሳን ግን ምልክታት ተራእዮም'ዮም። ኣብ ኣወዳይ'ውን መንገዲ ንምዕጻው ጻዕሪ ተገይሩ ነይሩ። እዚ ግን ካብ ፈተነ ዝሓለፈ ኣይነበረን\" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። እቲ ወሃቢ ቃል ዋላ'ኳ ዝተፈላለዩ ኣካላት ጻውዒት ኣብ መላእ ኦሮሚያ ዝካየድ ተቓውሞን ኣድማ ዕዳጋን እንተገበሩ ኣይሰለጦምን ኢሉ። \"ናብ ዝኾነ ክፋል ኦሮሚያ ክንቀሳቐስ ዝደሊ ሰብ ክኸይድ ይኽእል'ዩ። ብዛዕባ ዝተዓጸወ መንገዲ ዝኾነ ሓበሬታ የብለይን\" ኢሉ ኣቶ ጌታቸው። \"ኣብዛ ሃገር ኩሉ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ'ዩ፤ ብሕጊ ክሕተት ዘለዎ ብሕጊ ክሕተት'ዩ\" ዝበለ ኣቶ ጌታቸው፡ ሰባት ድምጾም ብሰላማዊ ሰልፊ ከስምዑ እንተደልዮም ብሕጋዊ መገዲ ንዝምልከቶ ኣካል ኣፍሊጦም ክኸውን ኣለዎ። ካብዚ ወጻእ ብሃበ ተረኽበ እትነብረሉ ሃገር ኣይኮነን\" ኢሉ። ድሕሪ ሕጂ'ውን እንተኾነ፡ \"ኣብ ድላይካ እናነበርኻ ጻውዒት ዓመጽን ምዕጻው መገድን ክግበር ጻዕሪ ምግባር ዝከኣል ኣይኮነን\" ኢሉ ኣቶ ጌታቸው።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53831015"} {"headline":"ኣቶ ዳውድ ካብ ኣቦመንበርነት ኦነግ ከም ዝተኣገዱ ዝገልጽ ደብዳበ ክጻረ እዩ ተባሂሉ","content":"ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ [ኦነግ]፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣቦ መንበር እቲ ግንባር ዝነበሩ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ካብ ሓላፍነት ከም ዝኣገዶም ዝገልጽ ደብዳበ ናብ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ከም ዝቐረበ እቲ ቦርድ ኣረጋጊጹ። ወሃቢት ቃል እቲ ቦርድ ሶሊያና ሽመልስ፡ ፈጻሚ ስራሕ ኦነግ ብመሰረት ዘካየዶ ኣኼባ፡ \"ኣቆ ዳውድ ኢብሳ ስነ ምግባራዊ ጥሕሰት ፈጺሞም'ዮም\" ብዝብል ካብ ኣመራርሓ ከም ዝኣገዶም ንቢቢሲ ገሊጻ። እቲ ደብዳበ ምኽትል ኣቦ መንበር ኣቶ ኣራርሳ ቢቂላ ከም ዝፈረሙሉ'ውን ኣብሪሃ። ብመሰረት መተሓዳደሪ ደንቢ እቲ ሰልፊ፡ ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ክእግድ እንከሎ ኮሚቴ ቁጽጽርን ስነ ምግባርን ከም ዝልእኽ ዝገለጸት ሶሊያና፡ ኣብቲ ደብዳበ ነቲ ኮሚቴ ከም ዘፍለጡ ካብ ምግላጽ ወጻእ ካብቲ ቦርድ ዝሓተቱዎ ውሳነ ከም ዘየለ ተዛሪባ። እቲ ቦርድ፡ ተኣጊዶም ካብ ዝተባህሉ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ'ውን ካልእ ደብዳበ ከም ዝበጽሖ እታ ወሃቢት ቃል ገሊጻ። ይኹን'ምበር፡ እቲ ደብዳበ ቅድም ኢሉ ብዝነበረ ኮሚቴ ቁጽጽርን ስነ-ምግባርን ዝተጻሕፈን ቅድም ኢሎም ብዛዕባ ዝተኻየዱ ኣኼባታት ዝምልከት ከም ዝኾነ ብምግላጽ፡ ምስቲ ዝተኣገድሉ ጉዳይ ኣይራኸብን ኢላ። ስለ ዝኾነ ድማ ካብ ክልቲኦም ወገናት ንዝመጽኡ ደብዳበታት፡ ብመሰረት መተሓዳደሪ ደንብን ኣዋጅን ፖለቲካዊ ውድባት ምጽራይ ከም ዝግበረሉ ገሊጻ። ካብ ቀረባ ግዜ ናብዚ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዘይምቅዳው ተፈጢሩ ምንባሩ ይዝከር። እዚ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣቦ መንበር እቲ ግንባር ዝነበሩ ኣቶ ዳውድ ኢብሳን ምኽትሎም ኣቶ ኣራርሳ ቢቂላን ዝመርሑዎም ክልተ ጉጅለታት ከም ዝተፈጥሩ ዘመላኽት'ዩ። በዚ ምኽንያት ሓደ ነቲ ሓደ ኣፍልጦ ካብ ምሃብ ጀሚሩ ናይ ምእጋድ ውሳነታት የሕልፍ ኣሎ። ወሃቢ ቃል ኦነግ ከም ዝኾነ ዝዛረብ ኣቶ ቀጄላ መርዳሳ፡ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ካብ ሓላፍነቶም ምእጋዶም ሕጋዊ መስርሕ ዝተኸተለ'ዩ ክብል እንከሎ፡ ብተመሳሳሊ ወሃቢ ቃል ኦነግ እየ ዝብል ኣቶ መሓመድ ረጋሳ ድማ፡ እቶም ንኣቶ ዳውድ ዝኣገዱ ኣባላት ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ኦነግ ቅድም ኢሉ ካብ ስራሕ ዝተኣገዱ'ዮም ኢሉ። ኣቶ ቀጄላ ከም ዝብሎ፡ \"ሕጊ ዝተመሓላለፉ፣ ስነ ምግባራዊ ጥሕሰት ዝፈጸሙ ብኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ክእገዱ ይኽእሉ'ዮም። እዚ'ዩ ናይቲ ሰልፊ ኣሰራርሓ\" ይብል። ኣቶ መሓመድ ድማ፡ \"ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ከም ዝተኣገደ ካብ መራኸብቲ ብዙሃን ሰሚዕና፤ እዚ መግለጺ ግን ናይ ኦነግ ኣይኮነን። ኦነግ ኣይፈልጦን\" ብምባል እቲ መግለጺ ዘውጽኡ ሰባት ቅድም ኢሉ ካብቲ ግንባር ዝተኣገዱ ምዃኖም ተዛሪቡ። እዚ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ኣብ ዝተረኸብሉ ብወርሒ ነሓሰ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኮሚቴ ቁጽጽርን ስነ-ምግባርን፡ ውሳነ ክሳብ ዝህብ ምኽትል ኣቦ መንበር ዝኾነ ኣቶ ኣራርሳ ቢቂላ ሓዊሱ 6 ኣባላት ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ተኣጊዶም'ዮም ኢሉ። ምእጋድ እቶም ኣቦ መንበር ዝምልከት ብሰንበት ኦነግ ዘውጽኦ'ዩ ዝተባህለ ነዊሕ መግለጺ፡ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ነቲ ሰልፊ ጎዲኦም'ዮም ብዝበሎም ዝተፈላለዩ ጉድለታት ክኸስስ እንከሎ፡ እቲ ሰልፊ ንራብዓይ ግዜ ይከፋፈል ከም ዘሎ ገሊጹ። እቲ መግለጺ፡ ኣቶ ዳውድ ሃብትን ንብረትን እቲ ውድብ ብዘይ ኣግባብ ብምጥቃም፣ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ናይ ሓሶት ክሲ ብምቕራብን እቲ ውድብ ዘይፈቐዶም ርክባት ብምግባርን ካብ ኣቦ መንበርነት ክለዓሉ ከም ዝተገብረ ይሕብር።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54157736"} {"headline":"ኣብ ኦሮምያ፡ ዝፍጸም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ደው ክብል: ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሓቲቱ","content":"ኣብ ክልል ኦሮምያ ናዕቢ ደጊሙ ምልዓሉ ስዒቡ ብዝሖም ብትኽክል ዘይተፈለጡ ሰባት ዝሞቱ እንትኸውን፡ ሓይልታት ጸጥታ ዘይተመጣጠነ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ክቑጠቡ፡ ከሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓቲቱ። ኣብቲ ክልል፡ ይፍጸም ኣሎ ዝበሎ ልዑል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ጠጠው ክብል ከምዝግባእ ድማ እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ። ኣብቲ ክልል ብፍላይ ኣብ ከተማታት ኣሳሳ፣ ኣሰቦት፣ ኣወዳይ፣ ባሌ ሮቤ፣ ጭሮ፣ ደንገጎ፣ ድሬ ጠያራ፣ ዶዶላ፣ ገለምሶ፣ ጊኒር፣ ሮማያ፣ ሂርናን ሻሸመኔን ናይ ሰባት ህይወት ከምዝሓለፈ መረዳእታ ረኺባ ይብል- እቲ ኮሚሽን። ወሃቢ ቃል እቲ ኮሚሽን ኣይተ ኣሮን ማሾ፡ \"ኣካላት መንግስቲ፡ ዜጋታት ብሰላማዊ መገዲ ተቓውሞ ናይ ምስማዕ መሰሎም ክሕልውሎም፡ ሕግ ናይ ምኽባር ተግባሮም ድማ፡ ዝተመጣጠነ ሓይሊ ተጠቒሞም ክኸውን ይግባእ\" ክብል ኣተሓሳሰቡ። ኣብ ሓደ ዓመት ኣብቲ ክልል፡ ከምዚ ዓይነት ተደጋጋሚ ናዕብታትን መቕተልትን ምርኣዩን እዚ ናይ ሐዚ እዋን ምውሳኹን ዘሕዝንን ዘሰክፍን ኣጋጣሚ እዩ ክብል ገሊጽዎ። \"እዚ ልዑል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክቕጽል ክፍቀድ የብሉን\" ድማ ኢሉ ወሲኹ። ብዛዕባ ብዝሒ ምውታት፡ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዝወሃብ ዘሎ ዝተፈለለየ ምዃኑ ገሊጹ፡ እቲ ኮሚሽን ብናይ ባዕሉ መንገዲ ኣቢሉ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣጻርዩ ከምዝመጽእ ሓቢሩ። መንግስታት ክልልን ፌዴራልን፡ ነቲ ጉዳይ ብህጹጽ ምርመራ ክገብሩን ከጻርዩ ድማ ሓቲቱ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኦሮምያን ኣብ ድሬዳዋን፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ብውሕዱ 4 ሰባት ከምዝተቐተሉን ብዙሓት ከምዝቖሰሉን ምንጭታት ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53803546"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ብምኽንያት ኣብ ፌስቡክ ዝተዘርግሐ ስእሊ ታሪኹ ዝተቐየረ ቤት ትምህርቲ ቦረና","content":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቦረና ካብ ዝናብን ንፋስን ዘይከላኸል ዚንጎን መንደቕን ዘይነበሮ ቤት ትምህርቲ፡ ብማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ኣቢሉ ብዝተዘርግሐ ሓበሬታ ገንዘብ ስለዝተኣኻኸበ፡ ብብሎኬት ክህነጽ በቒዑ'ሎ። ስእሊ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ፌስቡክ ዝረኣዩ ሰባት፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ብር ከዋጽኡ ብምኽኣሎም፡ ናብቲ ሕዚ ዝርከበሉ ደረጃ ከምዝበጽሐ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣባላት ኮሚቴ ህንጸት እቲ ቤት ትምህርቲ ሓቢሮም። ነባሪ እቲ ዞባ ዝኾነ ኣይተ ጎዳና ጨፊቅ ቅድሚ ዝተወሰኑ ዓመታት ኣብ ከባቢኦም ቤት ትምህርቲ ብዘይምንባሩ ንነበርቲ ብምትሕብባር ሓደ ቤት ትምህርቲ ክሃንጽ ክኢሉ ነይሩ። እንተኾነ፡ እቲ ቤት ትምህርቲ መምሃሪ ክፍልታቱ ብግቡእ ዝተሃነጹን ናውቲ ዝተማልአሉን ኣይነበረን። መንደቑ ብዕንጸይቲ፤ ናሕሱ ድማ ብላስቲክ ዝተሸፈነ ኮይኑ፡ ማዕጹኡ'ውን ብጽቡቕ ዝተሰርሐ ኣይኮነን። በዚ ምኽንያት፡ ማይ ስለዘፍስስ ክረምቲ ብዝመጽአ ቁጽሪ እናተሓደሰ'ዩ ተምሃሮ ትምህርቶም ክጅምሩ ዝግበር ዝነበረ። ኣይተ ጎዳና ከምዝብሎ ተምሃሮ ኮፍ ዝብሉሉ መንበር ስለዘይነበሮ፡ ኣብ ኩርሲን ካልእ ዝረኸብዎ ነገርን ኮፍ እናበሉ'ዮም ትምህርቶም ዝከታተሉ ነይሮም። ነጥቢ መቐይሮ! ኣይተ ጎዳና፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብታ ከተማ ንዝርከቡ ተምሃሮ ሓድሽ መፍለዪ ክዳን ተምሃሮ (ዩኒፎርም) ከምዘዳለወን መግቢ ከምዘቕርብን ኣብ ፌስቡክ ይርኢ። ነዚ ሪኡ ስቕ ክብል ብዘይምኽኣኩ ድማ ነታ ኣብ ከባቢኡ ዘላ ቤት ትምህርቲ \"ከሕድሳ ኣለኒ\" ዝብል ሓሳብ ከምዝመጸሉ ይገልጽ። ሽዑ ሓደ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝምህር መምህር ስእሊ ናይቲ ኣብ ዞባ ቦረና ወረዳ ዱቡሉቅ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ምስቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝወሰዶ ስጉምቲ ብምንጽጻር፡ ኣብ ፌስቡክ ከምዝጠቅዑ ኣይተ ጎዳና ይዝክር። ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ፌስቡክ ድማ፡ ነቲ ስእሊ እናተቐባበሉ ብብዝሒ ክባጻሕ ገይሮምዎ። ብድሕሪኡ ኣብ ውሽጢ ዓድን ደገን ዝርከቡ ሰባት፡ ነታ ቤት ትምህርቲ ንምሕዳስ እንታይ ክገብሩ ከምዘለዎም ክሓቱን ክመኻኸሩን ጀመሩ። ነቲ ኩነታት ምስረኣዩ ሓደ ኮሚቴ ብምጥያሽ ሓሳባት ክቀያየሩ ከምዝጀመሩ ኣባል እቲ ኮሚቴ ዝኾነ ኣይተ ዳበሶ ዋሪዮ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓሳብ \"ዋዛ ዝመስል ዝነበረ ነገር'ዩ ናብ ቁምነገር ተቐይሩ\" ኢሉ። \"ፈለማ ሓደ ኣብ ያቤሎ ዝነብር ሰብ 30 ሽሕ ብር ክልግስ'የ ኢሉ። ብድሕሪኡ ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ ካልኦት ሰባት'ውን ክሕግዙ ከምዝደልዩ ጽሒፎምለይ። ሽዑ ንሕና ብቕልጡፍ ኮሚቴ ብምጥያሽ ሕሳብ ባንኪ ከፊትና ኣፍሊጥናዮም። ኣብ ሓጺር ግዜ 1 ሚልዮንን 3 ሚኢቲ ሽሕን ብር ኣኪብና\" ክብል ድማ ይገልጽ። በቲ ዝተኣከበ ገንዘብ ነቲ ዓንዩ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ብብሎኬት ሃኒጾም ንመስርሕ ምምሃር ምስትምሃር ድልው ከምዝገበሩዎ ኣይተ ዳበሶ ንቢቢሲ ሓቢሩ። \"ሰለስተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ጊዜ ኢና ነቲ ቤት ትምህርቲ ኣሕዲስናዮ። ንህንጸቱ ክሳብ 1 ሚልዮን ብር ወጻኢ ተገይሩ፤ እቲ ገንዘብ ከኣ ብፌስቡክ ብዝገበርናዮ ጻውዒት ዝተኣከበ እዩ\" ይብል። ኣይተ ዳበሶ ንፌስቡክ ብምጥቃም ከምዚ ዝበለ ጸገም ሕብረተሰብ ዝፈትሕን በቀዋምነት ዘገልግልን ስራሕ ብምስርሖም ንኹሎም ተሳተፍቲ ሓጎስ ከምዝፈጠረሎም ይዛረብ። \"ካብ ፌስቡክ ተበጊስና ከምዚ ዝበለ ዓብዪ ነገር ብምስራሕና ሕጉሳት ኢና። ኣባል እቲ ኮሚቴ ብምዃነይ ድማ ሕጉስ'የ። ሕዚ ካልእ 'ፕሮጀክት' ጀሚርናለና\" ክብል ገሊጹ። ኣይተ ጎዳና እቲ ብዕንጸይቲ መንደቕን ብፕላስቲክ ናሕስን ተሃኒጹ ንተምሃሮ ፍልጠት ከስንቕ ዝጸንሐ ቤት ትምህርቲ ብፌስቡክ ንዝተዘርግሐ ሓበሬታ ብዝረኣዩ ወለንተኛታት ተሃኒጹን ተቐይሩን ብምርኣዩ ሕጎሱ ደረት ከምዘይብሉ ይዛረብ። \"ተምሃሮ ኮፍ ዝብሉሉ ነገር ኣይነበሮምን። ንደብተሮም'ኳ ዘቐምጡሉ ቦታ ኣይነበሮምን። ሕዚ ግን ስለዝተማልአሎም ሕጉስ እየ\" ብምባል ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን መምሃሪ ክፍልታት ጥራይ ዘይኮነስ ኮፍ መበሊ መናብር'ውን ክማላእ ብምኽኣሉ ዝፈጠረሉ ፍሉይ ስምዒት ንቢቢሲ ገሊጹ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54314361"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ዝተበከለ ስጋ ገመል ዝበልዑ ልዕሊ 100 ሰባት ሓሚሞም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ፡ ዝሓመመ ገመል ሓሪዶም ተማቒሎም ዝበልዑ ልዕሊ 110 ከምዝሓመሙ ተገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እዞም ናይ ዝሓመመ ገመል ስጋ ዝበልዑ ሰባት፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ቦርቦሪ ኣብ ዝተብሃለ መደበር ጥዕና ሕክምና ረድኤት ክግበረሎም ቀንዩ። እታ ናይ መወዳእታ ዝሓመመት ሰብ ኣብቲ ማእከል ጥዕና ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሕክምና ተገይሩላ ወጺኣ ተባሂላ። ናይዚ ገመል ስጋ በሊዖም ካብ ዝሓመሙ ሰባት ሓንቲ ዝኾነት፡ ወይዘሮ ቦሪ ጃርሶ፡ ነቲ ስጋ ኣብሲላ ከምዝበልዐቶ እንተተዛረበት'ኳ፡ ንሳ'ውን ከምዝሓመመት ገሊጻ። \"ዋና እታ ገመል ጎረቤትና እዩ። እቲ ገመል ምስ ሓመመ ዝተፈላላዩ ባህላዊ መድሓኒት የስትይዎ ነይሮም። እንተኾነ፤ እቲ ገመል ሕማሙ እናገደዶ ምስከደ ተሓሪዱ። ንዓና ድማ እቲ ስጋ ተልኢኹልና ተማቒልና በሊዕና\" ኢላ። ዋላ እቶም ነቲ ስጋ ኣብሲሎም ዝተመገቡ ሰባት ሓዊሱ፡ ኩሎም ናይቲ ገመል ስጋ ዝበልዑ ሰባት ብናይ ሰዓታት ኣፈላላይ ከምዝሓመሙ ወ\/ሮ ቦሪ ትዛረብ። \"ሕማም ርእሲን ተምላስን ዘለዎ ኾይኑ ሓያል ሕማም እዩ ኣስዒቡልና። ፈጣርን ሓኪምን እዮም ኣድሒኖምና። እቲ ሕማም ገና ኣይገደፈናን ዘሎ\" ትብል። ኣብ መደበር ጥዕና ቦርቦር ነርስ ዝኾነ፡ ኣቶ ኮኮብ መሓሪ፡ መጀመርታ ዕስራ ዝኾኑ ሰባት ናብቲ ማእከል ሕክምና ከምዝመጽኡ ይዛረብ። \"ውጽኣትን ተምላስን ከምኡ ድማ ልዑል ርስኒ ነይርዎም\" ኢሉ። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ናብቲ ማእከል ጥዕና ዝመጽኡ ሰባት፡ ሓደ ዓይነት ምልክት ሕማም ከምዘርአዩ እዩ ዝዛረብ። ቀስ ብቐስ ቁጽሮም እናወሰኸ ብምኻዱ ድማ፡ ብዝሖም 110 ከምዝበጽሐ ይዛረብ። ዕድሚኦም ካብ ሓደ ዓመት ጀሚሩ ክሳብ 70 ዓመት ከምረዝኾነን፡ ኣብ ህይወት ዝበጽሐ ሓደጋ ከምዘየለን እቲ ነርስ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ዳሲ ናይ እንስሳታት ሓኪም ዝኾነ ዶ\/ር ፍራኢል ዋቆ፡ እቲ ማሕበረሰብ ናይ ዝሓመመ እንስሳን ዘይበሰለ ስጋን ምምጋብ ጠጠው ከብሉ ከምዘለዎም'ዩ ዝመክር። \"ሓደ ሕማም ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ክተሓላለፍ ይኽእል እዩ። እቲ ዝሓመመ እንስሳ መድሓኒት ተዋሂብዎ እንተነይሩ ድማ እቲ መድሓኒት ካብ ሰውነቱ ክሳብ ዝወጽእ ምጽባይ የድሊ\" ኢሉ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53972542"} {"headline":"ድምጺ ሚልዮናት ዝነበረ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ኣብ ሓደ ወርሑ እንትዝከር","content":"ብብዙሓት ኣድነቕቱ ዝፍቶ ስነ-ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ሰነ 15\/2012 ዓ\/ም [ብኣቆጻጽራ ግእዝ] እዩ ንመወዳእታ ግዘ ኣብ መስኮት ተሌቬዝን ኦኤምኤን ዝቐረበ። ድሕሪ ሓደ ሰሙን 22\/2012 ምሸት ድማ ዜና ቕትለቱ ተሰሚዑ፤ 24\/2012 ከኣ ኣብ ዝተወለደላ ከተማ ኣምቦ ስርዓተ ቀብሩ ተፈፂሙ። ቅትለት ሃጫሉ ንሚልዮናት ዘሰንበደ፣ ዘሕዘነን ዘቖጠዐን ኣጋጣሚ እዩ። ነቲ ቅትለት ስዒቡ ብዝተፈጠረ ናዕቢ ድማ፡ ህይወት ልዕሊ 200 ሰባት እንትጠፍእ፡ ናይ ብዙሓት መንበሪ ኣባይትን ንብረትን ኣሽሓት ሰባት ድማ ዓንዩ እዩ። ምስቲ ስዒቡ ዝተፈጠረ ናዕቢ ብዝተሓሓዝ ልዕሊ 7 ሽሕ ሰባት ከምዝተኣሰሩ መግለፂ ሰብመዚ እታ ሃገር የረድእ። ቃለ-መሕተት ኦኤምኤን ስነ-ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ቅድሚ ምቕታሉ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ምስ ኦሮሚያ ሚድያ ኔትዎርክ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት ነይሩ። ሃጫሉ ንመወዳእታ ግዘ ንህዝቢ ዝተርኣየ'ውን ኣብዚ ቃለ-መሕተት እዩ። ሃጫሉ ኣብዚ ቃለ-መሕተት፡ ብፍላይ ብዛዕባ ሓወልቲ ሃጸይ ሚኒሊክ ኣመልኪቱ ዝሃቦም ርኢቶታት ኣዘራራቢ ኮይኑ ነይሩ። 23 ሰነ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ናይ ኦኤምኤን ቢሮ፡ ብፌደራል ፖሊስ እታ ሃገር ተፈቲሹን ተዓፅዩን። ንሃጫሉ ሁንዴሳ ንመወዳእታ ጊዜ ቃለ-መሕተት ዝገበረ ጋዜጠኛ ጉዮ ዋሪዮ'ውን ተኣሲሩ። ኣብቲ ዕለት፡ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፡ ጌቱ አርጋው፡ ኣብ ሃገራዊ ቴሌዥን ቀሪቡ፡ በቲ ገበን ዝተጠርጠሩ ገለ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ኣፍሊጡ። ቅትለት ሃጫሉ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክቃላሕ ዝጀመረ ግን ካብ ሰዓት 5፡30 ጀሚሩ እዩ ነይሩ። ሃጫሉ፡ ብጥይት ምስተወቕዐ፡ ናብ ሆስፒታል ጥሩነሽ ቤጂንግ ተወሲዱ ዝነበረ ኾይኑ፡ ካብኡ ድማ ሬስኡ ንምርመራ ናብ ሆስፒታል ጳውሎስ ተልኢኹ ነይሩ። ቀትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ፡ ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኦሮምያን ህዝባዊ ቁጥዐን ጎንጽታትን ተራእዮም። ኣብ ጽባሒትኡ ድማ፡ ኣብ ከም ከተማታት ኣዳማ፣ ጅማን ጭሮን ሰልፍታት ተቓውሞ ተኻይዶም እዮም። ናብ ከተማታት ምዕራብን ምብራቕን ኦሮምያ ዝወስዱ መንገድታት ድማ ተዓጽዮም ነይሮም። ብፍላይ ኣብ ከባብታት ባሌን ኣርሲን፡ ገለ ዓሌታውነትን ሃይማኖታውነትን ተንጸባሪቕዎ ዝተብሃለ ጎንጺ ተልዒሉ፤ ህይወት ሰባት ሓሊፉ፣ ንብረት ድማ ዓንዩ። ሬሳ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተዓጂቡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ክንቀሳቐስ ምስ ጀመረ 'ኣበይ ይቀበር?' ብዝብል ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ። ሰበ ስልጣን መንግስቲ፡ ፍቓድ ስድርኡ እዩ ብምባል፡ ሃጫሉ ኣብ ከተማ ኣምቦ ክቕበር ይደልዩ ነይሮም። ፈተውቲ ናይቲ ስነጥበባዊ ድማ፡ ሓመድ ድብኡ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ክፍጸም ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ኣልዒሎም። ሬሳ ኣርቲስት ሃጫሉ፡ ናብ ኣምቦ ኣብ ጉዕዞ እንተሎ፡ ብመሰረት ጽዕንቶ እቶም መናእሰይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሱ ኣብ ማእከል ባህሊ ኦሮሞ ንዝተወሰኑ ሰዓታት ጸኒሑ። ካብኡ ግን፡ ብድፍኢት መንግስቲ ብሆሊኮፕተር ተጻዒኑ ናብ ጥቓ ከተማ ኣምቦ ክውሰድ ተገይሩ። መንግስቲ ነቲ ሬሳ ናብ ኣምቦ ምስ ኣግዓዘ ብኻሊእ ገጽ ድማ፡ ኣብቲ መሰነይታ ዝተረኸቡ በዓል ጀዋር መሓመድን ኣይተ በቀለ ገርባን ኣብ ቀይዲ ውዒሎም። ፖሊስ ብጽባሒትኡ ከምዝገለጾ፡ ብሓፈሻ ምስ እኒ ጃዋር 35 ሰባት እዮም ተኣሲሮም። ኣብቲ እዋን ዝቐረበ ክሲ፡ 'በዓል ጀዋር መሓመድ እቲ ሬሳ ናብ ኣምቦ ከይኸይድ ዓንቂፎም-ዝብል እዩ ነይሩ። ኣብ ጽባሒትኡ ዝተቛረጸ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ድማ ንሰለስተ ሰሙናት ተዓጽዩ ጸኒሑ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽልን ካልኦት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ እቲ ኢንተርኔት ብህጹጽ ክኽፈት ሓቲቶም ነይሮም። ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፡ ኣብ ዝሓለፉ ልዕሊ 2 ዓመታት፡ ኢንተርኔት እንትዕጾ ንራብዓይ ግዜኡ እዩ። ሰነ 24፡ ሬሳ ሃጫሉ ኣብ ከተማ ኣምቦ ኣብ ዝበጽሐሉ እዋን፡ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ኣኮኡ ንሃጫሉ ሓዊሱ 5 ኣባላት ስድራ ተቐቲሎም። ካልኦት ሰለስተ ኣባላት ስድራ ድማ፡ ብጥይት ተወቒዖም ጉድኣት ከምዝበጽሖም ሓው ንሃጫሉ ሃብታሙ ሁንዴሳ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ሰነ 25፡ ስነስርዓት ቀብሪ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብታ ከተማ ውሽጢ ዝርከብ ገዳም ኢየሱስ ቤተ ክርስቲያን ተፈጺሙ። ኣብ ስታድየም ዩኒቨርሲቲ ኣምቦ ኣብ ዝተኻየደ ምፍናው ሬሳ ሃጫሉ፡ ብሰንኪ ስግኣት ድሕነት ውሕድ ሰብ ጥራሕ ክርከብ እዩ ተፈቒዱ። ካብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኦሮምያ፡ ክቐብሩ ዝመጽኡ ሰባት፡ ፖሊስ መንብዒ ጋዝ ተጠቒሙ ከምዘባረሮም ገለ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም። ሓምለ 3፡ ላዕለወይቲ ዓቃቢት ሕጊ ኢትዮጵያ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፡ ብቕትለት እቲ ስነጥበባዊ ዝተጠርጠሩ ዝበለቶም፡ ጥላሁን ያሚ፣ ኣብዲ ኣለማዮን ከበደ ገመቹን ዝበሃሉ ሰባት ከምዝኾኑ ጠቒሳ። ጥላሑን ያሚ ብጥይት ተኲሱ ከምዝቐተሎ ተዛሪባ። ሰለስቲኦም ውልቀሰባት፡ ኦነግ-ሸኔ ካብ ዝተብሃለ ጉጅለ ዝተውሃቦም ተልእኾ ከምዝፈጸሙ ወሲኻ ሓቢራ። እንተኾነ፡ ቅድሚ መግለጺ እታ ዓቓቢት ሕጊ፡ ሰብ ስልጣን መንግስቲ ኣብ ልዕሊ 'ጸላእቲ' ዝበልዎም ጉጅለታት፡ ኢድ ምውጥዋጥ ጀሚሮም ነይሮም። ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብ'ቲ ከይዲ ሕቶታት ግልጽነት ኣልዒሉ፤ ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ነቐፌታታት ተሰሚዓም። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ እቲ ገበን 'ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረ'ን ቅድሚ መርመራ ምጥቕቓን ክተርፍን ሓቲቶም ነይሮም። ቅትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ስዒቡ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ጥራሕ ከይኮነስ ኣብ ካልኦት ክፋላት ዓለም ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኣመሪካ፣ ኣብ ከተማታት ኣውሮጳ፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣውስትራልያን ሰልፍታት ተቓውሞ ተኻይዶም እዮም። መብዛሕተኦም ተወለድቲ ኦሮሞ ዝርከብዎም እዞም ተቓውሞታት፡ ንስርዓት ኣብዪ ዝቃወሙ ኮይኖም፤ ሰልፈኛታት ንሃጫሉ መንግስቲ ባዕሉ ከምዘቐተሎ ብምኽሳስ ኣብዪ ኣሕመድ ስልጣን ክለቕቕ ዝሓቱ ነይሮም። ካልኦት ንዓርሶም 'ኢትዮጵያውያን' እናበሉ ዝጽውዑ ሰልፈኛታት ድማ፡ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝድግፉን ዓሌት መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ጠጠው ክብል ዝሓቱን ነይሮም። ኣይተ ሁንዴሳ ቦንሳ፡ ወዶም እንትዝክሩ፡ \"ወደይ ጅግና እዩ፤ ንሓቂ እዩ ዝሞተ\" ኢሎም። ሃጫሉ ካብ ብቖልዕኡ ጀሚሩ ደፋርን ሓቀኛን ከምዝነበረ ዝዛረቡ፡ ኣቶ ሁንዴሳ፡ 'ክቕተል ዝኸኣለ ንወገኑ ተገዳስነት ሰለዘርአየ እዩ' ይብሉ። \"ዘሕርቐኒ ግን ከምኡ ጀጋኑ ብዝኾኑ ዘይኮነስ ብገንዘብ ብዝተገዝኡ ፈራሓት ኣብ መንገዲ ምትራፉ እዩ\" ኢሎም። ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንኣንፈት ምዕራብ 100 ኪሎሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣምቦ እዩ ተወሊዱ ዓብዩ። ኣዲኡ ወይዘሮ ጉደቱ ሆራ፡ ሃጫሉ ካብ ቁልዕነቱ ጀሚሩ ታሪክ ምስማዕን ምዝንታውን ከምዝፎቱ ተረዲአን፡ የተባበዐኦ ከምዝነበራ ብተደጋጋሚ ተዛሪቡ እዩ። ኣቦኡ ሁንዴሳ ቦንሳ ድማ ኣብ ትምህርቱ ክነፍዕን ዶክተር ወይ ድማ መምህር ዩንቨርሲቲ ክኾነሎም ይደልዩ ነይሮም። ሃጫሉ ግን ዝንባልኡ ናብ ሙዚቃ እዩ ነይሩ። ኣብ ዓሰርተታት ዕድምኡ እዩ ሙዚቃ ክጻወት ጀሚሩ። ሃጫሉ፡ ተምሃሪ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ዝነበረሉ ኣብ 1998 ተኣሲሩ፡ ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ኣሕሊፉ እዩ። ፖለቲካዊ መልእኽቲ ዝሓዘሉን ንቃልሲ ኦሮሞ ዘንጸባርቑን ሙዚቃታት ምድራፍ ደው ከብል መታን ከምዝተኣሰረ እዩ ዝዛረብ ነይሩ። ንሱ ግን፡ ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ኾይኑ'ውን ብዙሓት ግጥምታት ከምዝጸሐፈ እዩ ዝንገር። ንሚልዮናት መናእሰይ ድምጺ ዝኮኖም ሃጫሉ ፡ 'ሳኚ ሞቲ' ብዝብል ስርሑ እዩ ብዝበለጸ ውሩይ ኮይኑ። ወዲ 36 ዓመት ሃጫሉ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ 3 ቖልዑን ነይሩ። ኣርቲስት ሃጫሉ፡ ናብ ህዝቢ ዘይወጽኡ 7 ስራሕቲ ሙዚቃ ከምዘለውዎ ስድርኡ ይዛረቡ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53578083"} {"headline":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብሰንኪ ናዕቢ ንዝዓነወ ንብረት ‘ዝኽፈል ካሕሳ የለን’ ተባሂሉ","content":"ድሕሪ ቅትለት ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ናዕብን ዕግርግርን ንብረቶም ንዝዓነዎም ኣውፈርቲ (ኢንቨስተራት)፡ መንግስቲ ዝኸፍሎ ካሕሳ ከም ዘየለ ኣፍሊጡ። ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ናይ'ቲ ክልል፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት 89 ትካላት ሙሉእ ንሙሉእ ወይ’ውን ብኽፋል ከም ዝዓነው ገሊጹ። ቅድሚ ኣዋርሕ፡ ኣብ'ቲ ክልል ብዝተፈጥረ ናዕቢን ዕግርግርን ከቢድ ጉድኣት ካብ ዝበጽሐን ከተማታት፡ ሻሸመኔን ዝዋይን እተን ቀንዲ ኮይነን፡ ኣብ ብርክት ዝበሉ ወፍሪታት ሰፊሕ ጉድኣት በጺሑ እዩ። ምክትል ሓላፊ ናይ'ቲ ኮሚሽን፡ ኣቶ ዋሲሁን ጎልጋ ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ ድሕሪ ቅትለት ስነ-ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ኣውፈርቲ ትካላት ዝበጽሐ ጉድኣት፡ ብገንዘብ ልዕሊ ሰለስተ ቢሊየን ብር እዩ ኢሉ። ክሳብ ሕጂ ድማ፡ ንዝተፈላለዩ ትካላት ንምሕጋዝ ጻዕሪ ክገብር ምጽንሑ ተዛሪቡ። “እቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ምስተነጸረ፡ ምስ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ፌደራል ብምዝታይ ቅድሚ ሕጂ መካይንን መሽናትን ካብ ቀረጽ ናጻ ብዝኾነ ኣገባብ ዘእተው፡ ሕጂ’ውን ብናጻ ንከእትው፣ ልቓሕ ባንኪ ዘለዎም ድማ ግዜ ንክውሃቦም ተወሲኑ’ዩ” ኢሉ። ብተወሳኺ፡ እዞም ጉድኣት ዝበጽሖም ኣውፈርቲ፡ ቅድሚ ሕጂ ናይ መሬት ሕቶ ኣቕሪቦም እንተነይሮም፡ ቀልጢፉ ንክውሃቦም ከም ዝተወሰነ እቲ በዓል መዚ ገሊጹ። ቀልጢፎም ናብ ስራሕ ንክኣትው ካብ ምሕጋዝ ወጻኢ ግን፡ መንግስቲ ዝኸፍሎ ካሕሳ ከም ዘየለን ንምኽፋል ዝኣተዎ ቃል ከም ዘየለን ኣቶ ዋሲሁን ሓቢሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ጉድኣት ካብ ዝበጽሖም 89 ትካላት እቶም ውሑዳት ናብ ስራሕ ከም ዝተመለሱ ይገልጽ። ኣብ ክልል ኦሮሚያ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብዝተፈጥረ ናዕቢ፡ ኣብ ልዕሊ ኣውፈርቲ ትካላት ጉድኣት ስለ ዝበጽሐ ኣብ ስራሕ ዘለው ትካላት፡ ብሙሉእ ዓቕሞም ንከይሰርሑ ጸቕጢ ከም ዝፈጥረሎም እቲ በዓል ስልጣን ገሊጹ። “ኢንቨስትመንት ዝተረጋግአ ሰላም ይደሊ’ዩ። ስግኣት ሰላም ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ሰብ ሃፍቲ ብሙሉእ ዓቕሞም ክሰርሑ ስግኣት ይፈጥረሎም ኣሎ” ኢሉ። ኣብ ክልል ኦሮሚያ፡ ልዕሊ 12 ሽሕ ትካላት ኢንቨስትመንት ከም ዘለው እቲ ክልል ይገልጽ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54641362"} {"headline":"ፖለቲካ ኢትዮጵያ፡ ጠበቓታት በዓል ጃዋር ምፍርራሕን ጸቕጥን ይበጽሖም ከምዘሎ ኣፍሊጦም","content":"ጉዳይ ናይቶም ብድሕሪ ቅትለት ተወላዲ ኦሮሞ ዝኾነ ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ መራሕትን ኣባላትን ፖለቲካዊ ውድባት፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ተጠርጠርቲ ዝከታተሉ 13 ጠበቓታት፡ ምፍርራሕን ጸቕጥን ይበጽሖም ከምዘሎ ተዛሪቦም። ምኽትል ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣይተ ፍቃዱ ጸጋ ብወገኑ \"[እቶም ጠበቓታት] ንመሰል ተኸሰስቲ ዝከራኸሩ እዮም። ስለዚ ኣብ ሓቅነት እቲ ዝቐረበ ጥርዓን ጥርጣረ ኣለኒ\" ዝብል መልሲ ሂቡ። ተወካሊ ናይቶም ሰብ ሞያ ሕጊ ዝኾነ ኣይተ ምስጋን ሙለታ፡ ካብ ሞንጎ እቶም ጠበቓታት ገሊኦም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ዝበጽሖም ዘሎ ጸቕጥን ምፍርራሕን እናወሰኸ ምምጽኡ ሓቢሩ። ንሱ ኣብ ልዕሊኡን ካልኦትን መሳርሕቱን ከምዚኦም ዝበሉ ጸገማት የጋጥሙ ከምዘለዉ ንዘቕረቦ ክሲ መሰረት ብምግባር ቢቢሲ ንዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣዘራሪቡ'ዩ። ምኽትል ዋና ዓቃቢ ሕጊ ኣይተ ፍቃዱ ጸጋ ድማ፡ እቶም ጠበቓታት ኣጋጢሙና ብዛዕባ ዝብልዎ ዘለዉ ጸቕጥታት ብዝምልከት ናብ ቤት ጽሕፈቶም ዝቐረበ ሓበሬታ ከምዘየለ ገሊጹልና። \"ብዛዕባ እቲ ዝበሃል ዘሎ ሓበሬታ የብለይን። ንሳቶም ሰብ ሞያ ሕጊ እዮም፤ ስለዚ ከምዚ ዝበለ ጸገም ከጋጥሞም ከሎ ነየናይ ኣካል ክሕብሩ ከምዘለዎም ይፈልጡ እዮም። ክሳብ ሕዚ ግን ዝበጽሓና ጥርዓን የለን\" ኢሉ። ተወካሊ ናይቶም ጠበቓታት ብወገኑ \"ብሞያና ንዓማዊልና ወኪልና ስለዝተኸራኸርና ካብ ቀረባ እዋናት ናብዚ ኣብ ልዕሌና ዝበጽሕ ምፍርራሕን ጸገማትን እናሓየለ መጺኡ'ሎ\" ክብል ኣረዲኡ። \"ሓደ መዓልቲ ኣብ ከተማ ቡራዩ ንሓደ ተኸሳሲ ተኸራኺረሉ ምስወጻእኹ ፖሊስ ጸዊዑኒ። ካብኡ ናብ ቤት ጽሕፈት'ቲ ብፖሊስ ዘጸውዓኒ ሰብ ምስኣተኹ እናተጻረፉን ዘይግቡእ ቃላት እናተጠቐሙን ስልከይ ተቐቢሎም ክፍትሹ ጀሚሮም። ሸኔ [ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝገብር ዘሎ ኣካል ኦነግ ዝነበረ ሓይሊ] ኢኻ ኢሎም ኣሲሮም ኣንከላቢቶምኒ\" ክብል ኣብ ልዕሊኡ ንዘጋጠሞ ብኣብነት ጠቒሱ። ናብ ኣዲስ ኣበባ ጣብያ ፖሊስ ኣራዳ ዝኸዱ ካልኦት ኣባላት ጠበቓታት በዓል ጃዋር፤ ሓደ በዓል ሞያ ሕጊ ሽጉጥ ኣውጺኡ ከምዘፈራርሖም'ውን ወሲኹ ኣዘኻኺሩ። \"ብምኽንያት'ቲ ዝበጽሖም ዘሎ ማእሰርቲ፣ ምንሻው፣ ምንክልባትን ምፍርራሕን፡ ንዝነብሩሉ ዝነበሩ ከባቢ ክሳብ ምግዳፍ ዝበጽሑ ጠበቓታት ኣለዉ። ስለ'ዚ ኣብ ልዕሌና ርኡይ ዝኾነ ስነልቦናዊ ጸቕጢ እዩ ዝፍጸም ዘሎ\" ኢሉ ምስጋን። ምኽትል ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣይተ ፍቃዱ \"ክሳብ ሕዚ ጠበቓታት ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ንዓማዊሎም ብነጻነት ክከራኸሩ ኢና ንርእይ። ከምዚ ዝበለ ቅሬታ እንተሃልይዎም ግን ኣብቲ ፍርዲ ብምቕራብ ንኽእረም ክሓቱ ይኽእሉ እዮም\" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ። እቲ ዝበሃል ዘሎ ነገር ኣጋጢሙ እንተኾይኑ \"ኣብ ልዕሊ ጠበቓታት ዝበጽሕ ጽዕንቶ ብዝኾነ ይኹን መዐቀኒ ተቐባልነት የብሉን\" ኢሉ። ኣስዒቡ ድማ \"ውልቀሰብ ነዚ ተግባር ክፍጽም ይኽእል እዩ። ብደረጃ ቤት ጽሕፈት ግን ከምዚ ዝበለ ተግባር ክፍጸም ይኽእል'ዩ ኢለ ኣይግምትን። ተፈጺሙ እንተኾይኑ ከኣ ከቢድ ገበን'ዩ\" ክብል ኣረዲኡ። ዝኾነ ይኹን ጠበቓ 'ኣብ ልዕለይ ተፈጺሙ' ዝብሎ ጸቕጢ ኣብ ዝህሉን ጭቡጥ መረዳእታ እንተሃልይዎን ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ብምውሳድ ክሱ ከቕርብ ከምዝኽእል ኣይተ ፍቓዱ ኣዘኻኺሩ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54414889"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ዝነበሩ 2 ኣመሪካውያን ብዋሕስ ክፍትሑ ተወሲኑ","content":"ቅድሚ’ቲ ሓደ ወርሒ ኣብ ኢትዮጵያ ምስዘጋጠመ ዕግርግር ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣተዉ ሰባት፡ እቶም ክልተ ኣመሪካዊ ዜግነት ዘለዎም እዮም። ምስ'ቲ ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተልዓለ ናዕቢ ብዝተኣሰሰር፡ ብዝሒ ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ሰባት ልዕሊ 7 ሽሕ ከምዝኾነ ሰብ ስልጣን መንግስቲ ኣፍሊጦም እዮም። ካብ መንጎ እዞም ሰባት፡ እቶም ሰለስተ ትውልደ ኢትዮጵያውያን ኮይኖም ግን ድማ ኣመሪካዊ ዜግነት ዘለዎም እዮም። ካብኣቶም፡ ትማሊ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ፡ ሬድዋን ኣማንን ዩሱፍ በሽርን ብዋሕስ ክፍትሑ ቤት ፍርዲ ከምዝወሰነ ጠበቐኦም ንቢቢሲ ኣፍሊጡ። እዞም ሰባት፡ ቅድም ክብል ኣብ ኣመሪካ እዮም ዝነብሩ ነይሮም። ኣብዪ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ናብ ስልጣን ምስመጸ ግን፡ ተስፋ ገይሮም እዮም ናብ ዓዶም ተመሊሶም ነይሮም። ክልቲኦም፡ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም፡ ነፍሲወከፎም ብ6 ሽሕ ቅርሺ ዋሕስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወጽኡ ከምዝተወሰነ፡ ጠበቓ እቶም ውልቀ ሰባት፡ ኣይተ ከድር ቡሎ ንቢቢሲ ገሊጹ። ካብ'ቲ ቤት ማእሰርቲ ተሎ ክወጽኡ ተስፋ ኣለዎም ድማ ኢሉ። እቲ ሳልሳይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ ኣመሪካዊ፡ ሚሻ ጪሪ ዝበሃል ኮይኑ፡ ኣብ ኦኤምኤን ቴክኒሽያን ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ እዩ። ሚሻ ቅድሚ ሕዚ ኢምባሲ ኣመሪካ ንምርካብ ሓቲቱ ከምዘይተፈቐደሉ ቅሬትኡ ገሊጹ እዩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኢምባሲ አመሪካ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣመሪካውያን እንተሃልዮም ኣድላዪ ድጋፍ ከምዝገብረሎም ኣብ ፌስቡኩ ኣፍሊጡ ኣሎ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53544867"} {"headline":"\"ሓለውተይ ምሳይ ክጸንሑ እዮም\" ጀዋር መሓመድ","content":"ብመንግስቲ ተመዲቦም ንጃዋር መሓመድ ክሕልው ዝጸንሑ ኣባላት ፌዴራል ፖሊስ፡ ብውልቀኦም ምስኡ ክጸንሑ ወሲኖም። ኣብ ቀረባ ኣባል ፌደራሊስት ኮንግረስ የኦሮሞ (ኢፌኮ) ዝኾነ ኣክቲቪስት ጃዋር መሓመድ ካብቲ ቅድም ክብል 'ፈተነ ቅትለትተኣኒቡኒ ነይሩ' ዝበሎ ንዘድሐንዎ ሓለውቱ፡ መንግስቲ ሓለዋ ጃዋር ክለዓል ምውሳኑ ስዒቡ፡ ነቲ ትካል ለቒቖም ምስኡ ክጸንሑ ከምዝወሰኑ ንቢቢሲ ገሊጹ። ቴሌቪዥን ጣብያ ኦሮምያ፡ ንፖሊስ ፌዴራል ጠቒሱ ንጃዋር ሞሓመድ ዝህቦ ዝነበረ ሓለዋ ከምዘልዐለ ምግላጹ ከዘረራርብ ቀንዩ። ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ጃዋር ንደገፍቱ፡ \"ሰላም እዩ። ተዘራሪብና ኣብ ስምምዕ በጺሕና ኢና። ኣይትጨነቑ\" ዝብል መልእኽቲ ብፌስቡክ ኣመሓላሊፉ። ጃዋር፡ እቶም ናቱ ሓዊሱ፡ ገለ ሓለውቲ ንስልጠና ከምዝድለዩ፡ ምስ ኮሚሽነር፡ ኮሚሽን ፌዴራል ፖሊስ፡ ኣይተ እንደሻው ጣሰው ከምዝተዘራረቡ ገሊጹ። እዚ ካብ ምዃኑ ኣቐዲሙ ምስቶም ሓለውቱ ዝተዘራረበ ጃዋር፡ \"ናብ ፌዴራል ፖሊስ ክምለሱ ከምዘይደልዩን፡ ሓለውተይ ምሳይ ክጸንሑ ከምዝደልዩን ነጊሮምኒ\" ክብል ንቢቢሲ ኣረዲኡ። ብምዃኑ ድማ፡ ኣብ ኢዶም ዝነበረ ንብረትን ዕጥቅን ኣረኪቦም ምስኡ ከምዝጸንሑ ወሲኹ ኣረጋጊጹ። እቶም ሓለዋ ክገብርሉ ዝጸንሑ ኣባላት ፌዴራል ፖሊስ ኣርባዕተ እንትኾኑ፡ ናይ ፖሊስ ኣባልነቶም ገዲፎም ብውልቀኦም ንጃዋር ክሕልዉ እዮም። ንፌዴራል ፖሊስ ዝነቐፈ ጃዋር ሞሓመድ፡ \"ኣነስ ደሓን ኣብ ጎነይ ብዙሕ ሰብ እዩ ዘሎኒ። እቲ ስጉምቲ ግን ልክዕ ኣይኮነን\" ክብል ተዛሪቡ። \"ንጃዋር ክጎድኡ ክብሉ፤ ካልኦት ንሓደጋ ከየሳጥሕዎም ጥራይ\" ብማለት ብውልቀ ሓለውቱ ጸጥትኡ ውሕስ ከምዝኾነ ተዛሪቡ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ፍርቂ ለይቲ፡ ሃንደበት ሓለውቲ ጃዋር ንክለዓሉ ብዝተገብረ ፈተነ፡ ጃዋር ንዚ ስጉምቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዕላዊ ምግባሩ ስዒቡ፡ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ካብ 80 ንላዕሊ ሰባት ዝተቐትሉ እንትኾን፡ ጃዋር ካብቲ ተኣኒቡኒ ነይሩ ዝበሎ መጥቃዕቲ ግዳይ ከይኮነ ተሪፉ እዩ። \"ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ መንግስቲ ኣሎ ንምባል ኣይከኣልን\" ጃዋር መሓመድ","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51426312"} {"headline":"ምዕራብ ክልል ኦሮሚያ፡ ህይወት ኣብ ትሕቲ 'ኮማንድ ፖስት' እንታይ ይመስል?","content":"ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ኣብ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ከባቢታት፡ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ወተሃደራዊ ሓለዋ ዝግበረሉ 'ኮማንድ ፖስት' ክመሓደር ካብ ዝጅምር ጸኒሑ'ሎ። ብፍላይ ኣብ 'ቄለም ወለጋ' ከምኡ ድማ 'ምዕራብ ወለጋ' ኣብ ዝበሃሉ ዞባታት ምዕራብ ኦሮሚያ ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ዘሰክፍ ምዃኑ፡ ነበርቲ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም። ኣብ መንጎ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ኦሮሞን ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብዝተልዓለ ጎንጺ፡ ኣብ ልዕሊ ሰባት ብተደጋጋሚ ጉድኣት ክወርድ ጸኒሑ'ሎ። ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ ድማ፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ብዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ኣገልግሎት ሜመራኸቢታት ዝተቛረጸ ኮይኑ፡ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ናይ ውሕስነት ስግኣት ኣለዎም። ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኩነታት ጸጥታን ናብራ ናይቶም ነበርትን እንታይ ከምዝመስል ንምርኣይ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ናብቲ ካባቢ ከይዶም ዝተዓዘብዎ ነዚ ይመስል። ብሰንኪ እቲ ኣብ 'ቄለም ወለጋ' ከምኡ ድማ 'ምዕራብ ወለጋ' ዘሎ ጸገም፡ ብዙሓት ሰባት መረበቶም ገዲፎም ናብ ነቀምቴ መጺኦም ኣለዉ። ስሞም ክጥቀስ ዘይደለዩ ወዲ 42 ዓመት፡ ነቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ኩነታት \"ንክትዛረቦ ዘጸግም\" ክብሉ እዮም ዝገልጽዎ። ኣብታ ንሶም ዝነብሩላ ዝነበሩ 'ላሎ አሳቢ' እትበሃል ወረዳ ቀትሪ ኮነ ላይቲ ሰላም ከምዘየለ እዮም ዝዛረቡ። \"ሰላም ስለዘየለ፡ ቀትሪ ገንዘብ ሒዝካ ክትንቀሳቐስ ከለኻ ንወተሃደራት መንግስቲ ትፈርሕ፤ ምሸት ድማ ነቶም ኣብ ጫካ ዘለዉ ንፈርሕ። ኣብቲ ከባቢ ክትነግድ ኮነ ወጺእካ ክትኣቱ ከቢድ ኮይኑ'ሎ።\" በዚ ዕኽንያት ድማ፡ ንሶምን ካልኦት ነበርትን መረበቶም ገዲፎም ናብ ነቀምቴን ካልኦት ከታማታትን ክስደዱ ከምዝተገደዱ ይገልጹ። \"ካብ ክልቲኦም ሓይልታት መጥቃዕቲ ክበጽሓኒ'ዩ ዘዝበለ፡ ናብርኡ እናራሕረሐ ቤተሰቡ ሒዙ ይስደድ እዩ ዘሎ\" ይብሉ። \"ቀትሪ ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሩ ዘሎ ናይ መንግስቲ ሰራዊት አንተደኣ ኣዘራሪቡና ከይዱ፡ እቶም ኣብ ጫካ ዘለዉ ዕጡቓት 'ናይ መንግስቲ ሰላሊ ኢኻ' ኢሎም ለይቲ መጺኦም ይወስዱኻሞ፤ ከየጻረዩ ስጉምቲ ይወስዱ። \"ወተሃደራት መንግስቲ ድማ'ዕጡቓት ምሸት ናብዚ መጺኦም ነይሮም፡ መግቢ ሂብኩምዎም' ብምባል ነቲ ነባሪ ኣኪቦም ይቐጽዕዎ\" ብምባል እቲ ጸቕጢን ስግኣትን ካብ ክልቲኡ ወገን ምዃኑ ይዛረቡ። ብምኽንያት ጸገም ጸጥታ፡ ነበርቲ ዕለታዊ ተግባሮም ክፍጽሙ ከምዘይከኣሉን ገሊኦም ድማ ንጥምየት ይቃልዑ ምህላዎም ይገልጹ። \"ህዝቢ መንነት ናይቶም ኣብ ጫካ ዘለዉ ዕጡቓት ክሕተት ከሎ፡ ንህይወቱ ስለዝሰግእ ኣይዛረብን። እቶም ዕጡቓት ኣብ ውሽጢ እቲ ህዝቢ ስለዘለዉ ድማ መንግስቲ ከለልዮም ኣይከኣለን\" ብምባል እቲ ጉዳይ ሕልኽልኽ ዝበለ ምዃኑ የብርሁ። ርክብ ቴሌፎንን ኢንተርኔትን ንኣዋርሕ ብምቁራጹ፡ ህዝቢ ብዛዕባ ኩነታቱ ኣብ ካልእ ከባቢታት ንዘለዉ ኣዝማዱን ካልእን ከፍልጥ ከምዘይከኣለ እዮም ዝዛረቡ። \"ዓብዪ ይኹን ንእሽቶ ኩሉ ሰጊኡ'ሎ\" ካብቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ከባቢ 'ቄለም ወለጋ' ሃዲሙ ኣብ ነቀምቴ ዝርከብ ሓደ መንእሰይ ድማ፡ ከባቢታት ምዕራብ ኦሮሚያ ካብቲ ካልእ ከባቢ ተፈልዩ ኣብ ትሕቲ ኮማንድ ፖስት ክመሓደር ስለዝተገበረ ኣብ ነበርቲ ስነልቦናዊ ጸቕጢ ይፈጥር ምህላዉ ይዛረብ። \"ኣብ ከባቢና ዓብዪ ይኹን ንእሽቶ ኩሉ ብስግኣት እዩ ዝነብር\" ብምባል ኩሉ ነባሪ ብኽልቲኦም ሓይልታት ይህሰ ምህላዉ ይገልጽ። \"ነዚ ቃለመሕትት ክህብ እንከለኹ ኣብ ከቢድ ስግኣት ኮይነ እየ። እንተ ተራእየ እንታይ ከጋጥመኒ ከምዝኽእል ኣጸቢቐ እየ ዝፈልጥ\" ብምባል ንምዝራብ እውን ዘጸግም ኩነታት ከምዘሎ ይዛረብ። እቲ መንእሰይ፡ እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓትን ዘሎ ኩነታት ብቕልጡፍ ተፈቲሑ ናብ ዝተረጋገአ ህይወት ክምለስ እዩ ዝደሊ። ነዚ ድማ፡ ሰላማዊ መገዲ ክናደ ኣለዎ በሃሊ እዩ። \"እቲ ጎንጺ ኣብ መንጎ ክልተ ኣሕዋት ዝካየድ ዘሎ ብምዃኑ፡ ብኩናት ክፍታሕ እዩ ዝብል እምነት የብለይን\" ይብል። እቲ ጸገም፡ ካብ ከተማ ንላዕሊ ኣብ ከባቢታት ገጠር ከምዝገድድ ድማ ይገልጽ። ከተማ ነቀምቴ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ኣብ ከተማ ነቀምቴ ኣብ ዝነበሮም ጻንሒት ከምዝተዓዘብዎ፡ ካብ ከባቢታት ጊንቢን ደንቢ ዶሎን ዝሓሸ ርግኣት ስለዘሎ፡ ብዙሓት ሰባት ካብቲ ዘሎ ጸገም ጸጥታ ብምህዳም ኣብታ ከተማ ይነብሩ ኣለዉ። ኣብታ ከተማ ዘሎ ምንቅስቓስ ንግዲ ኣብ ቀትሪ ስሩዕን ምውቕ ዝበለን ኮይኑ፡ ኣጋምሸት ግን ቁጽሪ ኣብታ ከተማ ዝንቀሳቐሱ ሰባት ይቕንስ'ሞ ጸው እዩ ዝብል። ኣብታ ከተማ፡ በዓል ሰለስተ ጎማ ተሽከርከርቲ (ባጃጅ)፤ ድሕሪ ምሸት ሰዓት ሓደ (ሰዓት ሸውዓተ) ክንቀሳቀሳ ስለዘይፍቀደለን፡ ምንቀስቓስ ናይታ ከተማ ይዝሕትል። ኣብ ዝተፈላለዩ ነቁጣታት ናይታ ከተማ፡ ሓይልታት ጸጥታ ስለዘለዉ፡ ብጥቐኦም ምሕላፍ ክልኩል ምዃኑ ዝገልጹ ምልክታት ይረኣዩ። ምክትል ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጄነራል ብርሃኑ ጁላ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕተት፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ \"ዝተፈለየ\" ወተሃደራዊ ወፍሪ የካይድ ምህላዉ ተዛሪቡ ነይሩ። እቲ ጀነራል ከምዝብሎ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ዕጡቓት ናብ ሰላም ክመጹ ይልመኑ ከምዝነበሩ \"እቲ ምሕጽንታ ምስበዝሖም ክጠናኸሩ ጀሚሮም፤ ኣብ ህዝቢ ዝበጽሕ በደል'ውን ቀጺሉ። ህዝቢ የፈራርሑ፣ ይዘምቱ፣ የሳቕዩ፣ ጨውዮም ወሲዶም ወቒዖም ይሰዱ\" ብምባል መንግስቲ ንምንታይ ስጉምቲ ይወስድ ከምዘሎ ተዛሪቡ ነይሩ። ወተሃደራት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ በደል የብጽሑ እዮም ዝብል ክሲ ብዝምልከት ክዛረብ እንከሎ ድማ፡ \"ኣነ ዝወደብኩዎ ወተሃደር ንህዝቢ ኣይትንክፍን። ወተሃደራት መንግስቲ ኣብ ህዝቢ በደል ኣብጺሖም እንተኾይኖም ግን መንግስቲ ክሕተት እዩ። ኣነ'ውን ብውልቀይ ንህዝቢ ይቕረታ ክሓትት እየ፤ ክኽሕስ እየ\" ክብል መልሲ ሂቡ።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51752002"} {"headline":"ኣብ ኦሮምያ ኣብዪ ኣሕመድ ንምድጋፍ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ዝወጽኡ ሰባት ብዝተደርበየ ቦምባ ብዙሓት ቆሲሎም","content":"ትማሊ ሰንበት፡ ኣብ ኣምቦ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ሰልፊ ብልጽግናን ንምድጋፍ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰባት ብዝተደርበየ ቦምባ ብውሕዱ 29 ሰባት ከም ዝቖሰሉ ምምሕዳር እታ ከተማን ሓላፊ ጸጥታን ንቢቢሲ ሓቢሩ። ብመሰረት ሓበሬታ ኣቶ ሂንሰርሙ ደለሳ እቲ ቦምባ ኣብ ልዕሊ ንድጋፍ ዝወጸኡ ፈረሰኛታት እዩ ተኻይዱ። ካብ መንጎ እቶም ዝቖሰሉ፡ ብዙሓት ሕክምናዊ ረድኤት ተገይሩሎም ካብ ሆስፒታል ከም ዝተፋነው እቲ ሓላፊ ገሊጹ። ምስቲ ገበን ብዝተኣሳሰር ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ዝኣተው ሰባት ከም ዘለው ዝገለጸ ኣቶ ሂንሰርሙ፡ \"እቲ ገበን ኣብ ጫካታት ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ሓይሊ ፈጺምዎ ክኸውን ከም ዝኽእል\" ጥርጣረታት ከም ዘለዎ ሓቢሩ። በቲ መጥቃዕቲ ብዙሓት ኣፍራስ ከም ዝተጎድኡ፡ ቢቢሲ ካብ ነበርቲ ኣምቦ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ። ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ከተማ ኣወዳይ ኣብ መንጎ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ንምድጋፍ ሰላማዊ ሰልፊ ዝወጽኡ ሰባትን ተቓወምትን ብዝተፈጥረ ጎንጺ ብዙሓት ሰባት ከም ዝቖሰሉ ተገሊጹ ነይሩ። ኣብዚ ቅንያት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኦሮሚያ፡ ንምምሕዳር ኣብዪ ኣሕመድን ንሓድሽ ሰልፉ ብልጽግናን፤ ዘለዎም ድጋፍ ዝገልጹ ነበርቲ ሰላማዊ ሰልፍታት የካይዱ ኣለው። ዝሓለፈ ዓርቢ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ናይ ቀረባ ርሕቀት እትርከብ ቡራዩ፡ ኣዛዚ ፖሊስ እታ ከተማ መንነቶም ብዘይተፈለጡ ዕጡቓት ክቕተል እንከሎ፡ ካልኦት ሰለስተ ዝቆሰሉ ድማ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወሰዱ ተገሊጹ ነይሩ። ፖሊስ፡ ኣብ ቡራዩ ኮነ ኣብ ኣምቦ ምስ ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ብዝተሓሓዝ ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ከምዝእተወ ክገልጽ እንከሎ፡ ዛጊት ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51610020"} {"headline":"ኦነግን ኦፌኮን ንውሳነ ቤት ምኽሪ ፌደሬሸን \"ዘይሕጋዊ\" ክብሉ ተቓዊሞምዎ","content":"ኣብ ኦሮሚያ ዝመሰረቶም ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ዕድመ ስልጣን መንግስቲ ንምንዋሕ ዝተወሰነ ውሳነ ተቓዊሞምዎ። ውድባት ግምባር ናጽነት ኦሮሞ (ኦነግ) ከምኡ ድማ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ) ኣብ ዘውጽእዎ ሓበራዊ መግለጺ፡ ቤት ምኽሪ ፌደሬሸን ኢትዮጵያ ዕድመ ስልጣን መንግስቲ ንምንዋሕ ንዝወሰኖ ውሳነ ከምዘይቅበልዎ ኣፍሊጦም። \"ንሕገ-መንግስቲ ዝጠሓሰ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንሰላምን ርግኣትን እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ዘይሕጋዊ ውሳነ\" ክብሉ ገሊጾምዎ። ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ምንዋሕ ስልጣን ከምዘይፈቅድ ብተደጋጋሚ ክገልጹ ምጽንሖም ብምዝኽኻር፡ ኣማራጺ ፍታሕ ኣርቂቖም ከምዘቕረቡ ሓቢሮም። \"እቲ ኣብ መወዳእታ ዝተወሰነ ውሳነ፡ ንድልየት እቲ ገዛኢ ውድብ ዘንጸባርቕ\" ከምዝኾነ'ውን እቲ ሓበራዊ መግለጺ ኣመልኪቱ። \"መረጻ ንምንዋሕ ዘፍቅድ ኩነታት ኣብ ሕገ-መንግስቲ ዘይተቐመጠ እናሃለወ፡ እቲ ሃገራዊ መረጻ ክናዋሕ ምግባር፡ ናብ ቅልውላው ከእቱ ከምዝኽእል ስክፍታና ገሊጽና ነይርና\" ይብል መግለጺ ውድባት ኦነግን ኦፌኮን። ኣብ ሕገ መንግስቲ ዓንቀጽ 54 (1) ከምኡ'ውን 58 (3) ከምኡ ድማ ሕጊ መረጻ ዓንቀጽ 7፡ መረጻ በብ 5 ዓመት ክካየድ ካብ ምሕባር ወጻኢ፡ ዝኾነ ዓይነት ምንዋሕ ክህልዉ ከምይክእል ከምዘነጽሩ ኣመልኪቱ'ሎ። እቲ ሕዚ ዘሎ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ መድብለ-ፓርቲ ስርዓት ዴሞክራሲ ክህነጽ ኣብ ዘፍቅደሉ ኩነታት፡ \"ነቲ ብሓደ ፓርቲ ዝተወሰነ ውሳነ ምንዋሕ ዕድመ ስልጣን ፈጸምቲ ስራሕ ክልላትን ፌደራልን ኣትሪርና ንቃወሞ\" ኢሉ እቲ ሓበራዊ መግለጺ። \"ናብ ናዕቢ ክሰጋገር ዝኸእል ሰፊሕ ህዝባዊ ተቓውሞ ክለዓል ከምዝኽእል ዘለና ስግኣት ክንገልጽ ንፈቱ። እዚ ድማ ናብ ድሕሪት ዝመልሰና ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ ብብዙሓት ማሕበረ-ቁጠባዊ ጉዳያት ዝፍተን ዘሎ መንግስቲ'ውን ክቆጻጸሮ ክኸብዶ'ዩ\" ኢሉ። \"ነቲ ድሕሪ መስከረም 2020 ከጋጥም ዝኽእል ሕገመንግስታዊ ቅልውላው ንምፍታሕ፡ ሓበራዊ ዘተ ንፖለቲካዊ ምርግጋእ ክካየድ ኣለዎ ብዝብል ንሕና ከምኡ'ውን ካልኦት ውድባትን ዜጋታትን ዘቕረብናዮ ረቂቕ በቲ ገዛኢ ውድብ ተቐባልነት ክረክብ ዘይምኽኣሉ ዘጣዕስ'ዩ\" ክብል'ውን ስክፍትኡ ኣቐሚጡ። እቲ ገዛኢ ውድብ \"ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝወሰኖ ውሳነ\" ብቕሉዕ ንሕገ-መንግስቲ ዝጠሓሰን ስልጣን ብዘይኣገባብ ዝተጠቐመን ከምዝኾነ፡ ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ'ሎ። ነዚ ውሳነ ብትሪ ከምዝቃወሙ ብምሕባር \"ፍታሕ ንምድላይን ኣብ ፖለቲካዊ ምርድዳእ ንምብጻሕን እቲ ውድብ ምስ ተቓወምቲ ስልፍታት ኮፍ ኢሉ ክዝትይ ደጊምና ጻውዒትና ነቕርብ\" ኢሎም።","category":"ህዝቢ ኦሮሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53006516"} {"headline":"መንግስታት ንመግብን ጸዓትን ድጐማ ክገብሩ ከም ዝግባእ ተገሊጹ","content":"መንግስታት ንዝደኸዩ ኣባላት ሕብረተሰብ ዝውዕል ወጻኢታት መግብን ጸዓትን ድጐማ ክገብሩ ከምዝግባእ፡ ሓላፊ ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብ (IMF) ንቢቢሲ ሓቢራ። ኣብዚ እዋን፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰባት ምስቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዋጋ መነባብሮ ይቃለሱ ኣለዉ። ክሪስታሊና ጆርጅዮቫ፡ \"ኣዝዩ ብዝተጸንዐን ዕላማኡ ብዘነጸረን ኣገባብ፡ እንተ ተኻኢሉ ድማ ብቐጥታ ንመነባብሮ ሰባት ድጐማ ምግባር\" ከም ዝግባእ ገሊጻ። ብዙሓት መንግስታት፡ ገለ ሓገዝ ይገብራ'ኳ እንተለዋ፡ ነቐፍቲ ግን እኹል ከምዘይኮነ ይምጕቱ። እታ ሓላፊት ኣህጕራዊ ትካል ገንዘብ ብዛዕባ ቅልውላው ዋጋ መነባብሮ ክትዛረብ እንከላ፡ \"ክልተ ቀዳምነታት ኣለዉ፣ ሓደ እቶም ምስዚ እናዓረገ ዝኸይድ ዘሎ ዋጋ መግብን ጸዓትን ዝቃለሱ ዘለዉ ኣዝዮም ድኻታት ክፋል ሕብረተሰብ እዮም፡\" ኢላ። እቲ ካልኣይ ድማ፡ ነቲ ብሰንኪ ኲናት ዩክረይን \"ዝያዳ ዝተሃስየ\" ጽላት ንግዲ ንምድጋፍ ምዃኑ ወሲኻ ገሊጻ። ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብ ምስ መንግስታት ብምትሕብባር፡ ቁጠባ ዓለም ንምርግጋእን ብልጽግና ንምድራኽን እዩ ዝሰርሕ። ይዅን እምበር፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ፡ ዋጋታት መግቢ ክብረወሰን ብዝሓዘ መጠን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ብምብጽሑ፡ ዋጋታት ነዳድን ጋዝን'ውን ብሓያል ናህሪ ስለዝወሰኸ፡ ንዓለም በዳሂ ኰይኑ ይረአ ኣሎ። እዚ ድማ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ዓለም ዝተኸስተ ማንታ ሓደጋታት፡ ማለት ለበዳ ኮሮናቫይረስን ኲናት ዩክረይንን ዝሰዓበ እዩ። ሩስያን ዩክረይንን ቀንዲ ሰደድቲ ኣእካልን ሃይድሮካርቦንን እየን ነይረን። ኣገዳስነት ናይዞም ንብረታት ኣብ ዓለማዊ ቁጠባ፡ ዓመታዊ መጠን ዝቕባበ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ውሽጢ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ዝለዓለ ደረጃኡ ክበጽሕ ገይርዎ ኣሎ። በዚ መሰረት ኣብ ብሪጣንያ 9%፡ ኣብ ኣሜሪካ 8.3%፡ ኣብ ኤውሮጳ ድማ 7.4% ተራእዩ'ሎ። ማእከላይ ባንክታት፡ ናህሪ ዋጋታት ንምህዳእ፡ መጠነ-ወለድ ብምውሳኽ ክቃለሳ ይርኣያ ኣለዋ። እዚ ግን ሓደጋ ቁጠባዊ ምንቁልቋል ከስዕብ ከም ዝኽእል ብኣጋኡ መጠንቀቕታታት ይቐርበሉ'ሎ። ጆርጅዮቫ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምስጋር ዝተወስደ ገዚፍ ዕዳታት ክመልሳ ኣብ ዝግደዳ ሃገራት ዘስዕቦ ጽልዋ'ውን ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ስክፍታኣ ገሊጻ'ላ። እዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ መንግስታት ንእንታይነትን ከመይነትን ዝገብርዎ ወጻኢታት \"ኣዝዮም ጥንቍቓት ክዀኑ፡\" ኣተሓሳሲባ። ኣብዚ ሰሙን ኣብ ጀርመን ዝተኻየደ ኣኼባ ሚኒስተራት ፋይናንስ 'G-7'፡ ጸገማት ምንቁልቋል መነባብሮ እቲ ዝለዓለ ትዅረት ዝተዋህቦ ላዕለዋይ ኣጀንዳ ነይሩ። ኣኼባ ጕጅለ-7 ሃብታማት ሃገራት፡ \"ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ዝተጸንዐ ደገፍ ብምሃብ፡ ኲናት፡ ብደረጃ ዓለም ከምኡ'ውን ኣብ ቁጠባናን ህዝብናን ዘስዕቦ ጽልዋ ንምንካይ ብሓባር ክንሰርሕ፡\" ብዝብል መብጽዓ ተዛዚሙ። ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ፡ መንግስታት፡ ዋጋ መነባብሮ ንምንካይን ዝተፈላለዩ ምትእትታዋት ክገብሩ ፈቲኖም እዮም። ኣብ ኣሜሪካ፡ ፕረዚደንት ባይደን ካብ ዕቑር ሃብቲ ነዳዲ ኣውጺኡ ዋጋታት ንምውራድ ፈቲኑ፤ ስጳኛን ፖርቱጋልን ንሕሳብ ጋዝ ባዕለን ሸፊነናኦ ኣለዋ፤ እዚ ጕዳይ ኣብ ምርጫ ኣውስትራልያ 'ውን መሪሕ ዛዕባ ኰይኑ ከም ዘሎ ይፍለጥ። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ቻንስለር ሪሺ ሱናክ፡ ገለ ለውጢታት ኣብ ቀረጽ ክገብር፣ እተን መኽሰባተን ዝዓርግ ዘሎ ኩባንያታት ጸዓት ዝኸፍላኦ ግብሪ'ውን ክውስኽ ይሓስብ ኣሎ። እቲ ብሰንኪ ዘይቅኑዕ ደገፍ መንግስቲ ኣብ ስሪላንካ ዝተራእየ ተቓውሞ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ክድገም ከምዝኽእል ከኣ ጆርጅዮቫ ስክፍታኣ ገሊጻ'ላ። ብሰንኪ ምውሳኽ ዋጋታት ዝተቓወሰ ቁጠባዊ ቅልውላው ስሪላንካ፡ ንቐታሊ ናዕቢ፣ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተርን ከኣ 'ዕዳታት ዘይምኽፋል' ደሪኹ ኣሎ። እታ ሓላፊት IMF፡ ከምዚ ዓይነት ተመሳሳሊ ናዕቢ፡ ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ካብ ፈረንሳ ክሳብ ቺለ፡ \"ስምዒት ዘይምዕሩይነት እናዓበየ ብምምጽኡ\" ን ብዘይ ደገፍ ህዝቢ ዝውሰዱ ውሳነታትን ዝፈጠሮ እዩ፡ ኢላ ። \"ካብ ተመኵሮ 2019 ክንመሃር እንተዄንና፡ ኣብ እንውስኖም ፖሊሲታት ኣዚና ምቕሉላት ክንከውን የድሊ፣ ብብዙሕ መንገዲታት ድማ ምስ ህዝቢ ክንዋሳእ ይግባእ፣ ምኽንያቱ ፖሊሲታት ንህዝቢ እምበር ኣብ ወረቐት ዝሰፍሩ ጥራይ ኣይኰኑን፡\" ትብል። ኣብዚ ሰሙን'ዚ፡ ኣህጕራዊ ትካል ገንዘብን ባንኪ ዓለምን ዝርከብዎ ሓደ ጕጅለ ኣህጉራውያን ኣካላት ልምዓት፡ ኣብ መላእ ዓለም ይርአ ንዘሎ ሓደጋጋት ውሕስነት መግቢ ንምቅላስ ዓቢ ውጥን ኣበጊሱ'ሎ። እዚ ብክፍሊ ገንዘብ ኣሜሪካ ጃኔት የለን ዝተመርሐ፡ \"ዋጋታት ዓለማዊ ዕዳጋ መግብ ከምኡ'ውን ድኹዒ ምውሳኽ፡ ሰባት ንኽጠምዩ ሓደጋ ኰይኑ'ሎ፡\" ብምባል ንኣገዳስነት እቲ ውጥን ገሊጻ። ጆርጅዮቫ፡ ኣብ ዓለም ብዙሕ መግቢ'ኳ እንተሃለወ፡ ብማዕረ ከምዘይዕደል ግን ገሊጻ። መፍትሒኡ፡ ኣብ ዝከኣለሉ ቦታ ዝያዳ ኣእካል ምፍራይ'ኳ እንተዀነ፡ \"ብሰንኪ ኲናት ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ\" ኣብ ኣፍራይነት ሕርሻ ዝያዳ ኣተኲርካ ምስራሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣተሓሳሲባ። ብተወሳኺ፡ \"ንግዲ ክፉት ኰይኑ ክቕጽል ኣለዎ፣ ሃገራት ካብቲ ዘድልየን መጠን መግቢ ንላዕሊ ክኽዝና ኣይግባእን፣ መግቢታት ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ንምግዕዓዝ ዕንቅፋታት ዝፈጥሩ ኵነታት'ውን ከነወግድ ይግባእ፡\" ኢላ። ህንዲ ኣብ ዓለም ካልኣይቲ ዝዓበየት ኣፍራይት ስርናይ ኰይና፡ ንገለ ካብቲ ዩክረይን ፍርያታ ክትሰድድ ብዘይምኽኣላ ዘጋጠመ ሕጽረት ንምምላእ ሰደት ክትገብር ትጽቢት እናተገብረ፡ ሰደድ ኣጊዳ ኣላ። መንግስቲ ህንዲ ግን፡ ኣብ ገለ እዋን እዚ እገዳ ሰደድ ስርናይ ክኽለስ ከምዝኽእል ይገልጽ። \"ብሓቂ፡ ዳግማይ ክሓስብሉ ምለመንክዎም፣ እዚ ንዓለም ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ኵነታት'ዩ፡\" ትብል ጆርጅዮቫ። \"ህዝቦም ክምግቡ ከምዝግባእ ርዱእ'ዩ። ግን ኵላትና ብሕብረት ንዋሳእ፣ ከምኡ ምስ እንገብር ጥራይ እዩ ነዚ ቅልውላው ክንሰግሮ ዕድል ዘለና።\"","category":"ድሕነት መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61540228"} {"headline":"ኣንበጣ ክቡር መግቢ ከምዝኾነ ትፈልጡ’ዶ?","content":"ኣንበጣ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኤስያን ኣመሪካን ክቡር መግቢ ከምዝኾነ’ዩ ዝግለጽ። ሎሚ ሎሚ ድማ ኣብ ኤውሮጳ’ውን እንዳተለመደ ይመጽእ’ሎ።","category":"ድሕነት መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ckd7p8g25yro"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ እተን ናብ ትግራይ ዝኣተዋ መካይን ስለምንታይ ክምለሳ ዘይከኣላ?","content":"ኣብ ትግራይ ሕጂ'ውን ብዙሓት ስግኣት ዝፈጥሩ ኩነታት ኣብ ዘለውሉ ግዜ ብዛዕባ እተን ሰብኣዊ ረድኤት ጽዒነን ናብ ትግራይ ዝኣተዋ ብኣማኢት ዝቑጸራ ቃፍላይ መካይን ግን ብዙሓት ንሓድሕዶም ዝካሰሱ ርኢይቶታት ክወሃቡ ቀንዮም። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ ክሳብ መፋርቕ መስከረም ዝኣተዋ መካይን ኣይተመለሳን ክብል ገሊጹ ነይሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ብሕታዊ ናብ ትግራይ ረድኤት ዝኣትወሉ መገዲ ብክልል ዓፋር ጥራይ'ዩ ዘሎ። ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት መዓልታዊ መግብን ካልኦት ከም ነዳዲ ዝበሉ ቐረባትን ዝሓዛ 100 መካይን ናብቲ ክልል ክኣትዋ ከም ዘለወን ይገልጹ። ክሳብ 16 መስከረም 2021 ኣብ ዘለው ክልተ ኣዋርሕ 466 ረድኤት ዝጽዓናት መካይን ብዓፋር ናብ ትግራይ ክኣትዋ እንከለዋ፡ እተን 38 ጥራይ ከም ዝተመልሳ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ሓቢሩ። \"ኣብዚ ሕጂ እዋን እዚ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ንከይኣቱ ምትዕንቓፍ ዝፈጥር'ዩ። ብምኽንያት ሕጽረት መካይን እኹል ዓቐን ዘለወን ናይ ጽዕት መካይን ክንእክብ ኣይክኣልናን\" ክብል ወሃቢ ቃል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ገሊጹ። እተን መካይን ኣበይ ኣለዋ ክንብል ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቲትና። እንተኾነ መብርሂ ክህቡ ኣይክኣሉን። ሓይልታት ትግራይ፡ ንመንግስቲ ፌደራልን ነቶም ኣብ ጎኑ ዝዋግኡ ዘለው ሓይልታትን ይነቕፉ። \"መራሕቲ እተን መካይን፡ ናብ ትግራይ ዘእቱ ነዳዲ ጥራይ'ዩ ዝወሃቦም። ንክምለሱ ዘኽእሎም ነዳዲ [ትርፊ] ኣይወሃቦምን\" ክብል ህወሓት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ። ህወሓት፡ መንግስቲ ፌደራል ብግብረ ሽበራ ዝመዝገቦ ፖለቲካዊ ሰልፊ'ኳ እንተኾነ፡ እቲ ውድብ ግን ሕጋዊ ገዛኢ ሰልፊ ትግራይ ከም ዝኾነ ይገልጽ። እቲ ሰልፊ ኣብ መግለጺኡ መራሕቲ እተን መካይን መብዛሕትኦም ተጋሩ ስለ ዝኾኑ ኣብ መፈተሺ ጣብያ ብኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ካልኦት ሰብ መዚ ጸጥታን [ካብ ትግራይ ወጻኢ] ብዙሕ ግህሰትን ምፍርራሕን ይበጽሐና'ዩ ዝብል ቅርታ ኣለዎም ኢሉ። ካብዚ ብዝብገስ ተመሊሶም ንክኸዱ ፍቓደኛታት ከም ዘይኮኑ ብምግላጽ፡ ኣብ ርእሲኡ መጠን እቲ ክሕዙዎ ዝኽእሉ ገንዘብ ድሩት ስለ ዝኾነን ምስ ተመለሱ'ውን ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ባንኪ ብዘይምህላዩ ገንዘብ ዘይረኽቡ ምዃኖምን ገሊጹ። መንግስቲ ኢትዮጵያ እተን ናብ ትግራይ ዝኣተዋ መካይን ዘይምምላሰን ረድኤት ኣብ ምብጻሕ ጸገም ከም ዝፈጠረ ተኣሚኑ። ይኹን'ምበር ኮሚሽነር ሃገራዊ ስግኣትን ሓደጋን ኣቶ ምትኩ ካሳ ብምኽንያት ሕጽረት ነዳዲ'የን ዘይምለሳ ዘለዋ ንዝብል ምኽንያት ነጺጉዎ። ብተወሳኺ ካብ ሰብ መዚ መንግስቲ እተን መካይን ህወሓት ንኲናት ይጥቀመለን ከይህሉ ዝብል ርኢይቶ ተዋሂቡ'ዩ። ሓይልታት ትግራይ ዋላ'ውን ናብ ገለ ከባቢታት ክልል ዓፋር ኣትዮም እንተሃለውን፡ ክሳብ ሕጂ ግን ነዚ ክሲ ዘረጋግጽ ነገር ኣይተረኽበን። ኦቻ፡ እተን መካይን ዘይተመለሳሉ ምኽንያት እቶም መራሕቲ መካይን \"ብምኽንያት ሕጽረት ነዳድን ስግኣት ድሕነትን\" ክምለሱ ኣይደልዩን ክብል ግልጺ ገይሩ ኣሎ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ትግራይ ቐረብ ነዳዲ ከም ዘተሓሳሰቦ ብምግላጽ ነዳዲ ዝጽዓና'ውን ናብቲ ክልል ከይኣትዋ ተኸልኪለን ክብል ቅርትኡ ገሊጹ ነይሩ። \"ነዳዲ ዝጽዓና መካይን ናብ ትግራይ ንምሕላፍ ዘኽእል ፍቓድ ብተደጋጋሚ ብሰብ መዚ ዓፋር ተኸልኪልና ኢና\" ክብል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ወርሒ ገሊጹ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ ምስ ውድብ ሕቡራትን ካልኦት ኤጀንሲታት ሰብኣዊ ረድኤትን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ'ውን ሕጽረት ጥረ ገንዘብን ነዳድን እተን መካይን ንከይምለሳ ጸቕጢ ይፈጥሩ ምህላዎም ክልዓል እንከሎ እተን መካይን ናብ ትግራይ ዘእትወን ነዳዲ ጥራይ ክሕዛ ከም ዝፍቀደለን ተሓቢሩ። እቶም ኤጀንሲታት \"ክሳብ ሕጂ ገደብ ጥረ ገንዘብን ካልኦት ነዳዲ ንምርካብ ዘለው ጸገማትን ተደሚሮም እተን መካይን ካብ መቐለ ንክምለሳ ዓብዪ ጸገም ኮይኑ ኣሎ\" ኢሎም። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሰሙናዊ 200 ሽሕ ሊትሮ ነዳዲ ከም ዘድልዮ ብምግላጽ ክሳብ ወርሒ 12 ሓምለ 2021 300 ሽሕ ሊትሮ ጥራይ ናብ ትግራይ ከም ዝኣተወ ሓቢሩ። እታ ናይ መወዳእታ ነዳዲ ዝጽዓነት መኪና ብ29 ሓምለ 2021 ክትኣቱ እንከላ እቲ ዝነበረ ከኣ ብ17 መስከረም ከም ዝተወድአ እቲ ውድብ ገሊጹ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብ21 መስከረም ናብ ትግራይ ንክኣትዋ ዝግብአን ፍቓድ መንግስቲ ዝጽበያ ዘለዋ ትሸዓተ መካይን ኣብ ሰመራ ጠጠው ኢለን ምህላወን ተሓቢሩ ኣሎ። ብኻልእ ወገን ኣብ ትግራይ ዘለው ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ብዙሓት ተጋሩ መራሕቲ መካይን ካብ ክልሎም ወጻእ ኣብ ዘለው መፈተሺ ጣብያታት ምግፋዕ ይበጽሖም'ዩ ኢሎም። ውድብ ሕቡራት ሃገራት \"ሓደ ካብቶም ዝጠቕሱዎም ምኽንያታት . . . ማህረምቲ፣ ምግፋዕ፣ ምፍርራሕን ካብ ሰመራ ናብ መቐለ ኣብ ዘሎ መገዲ ዘጋጥም ዝምታን ከም ዝበጽሖም ብምግላጽ ንድሕነቶም ስግኣት ከም ዘለዎም'ዩ\" ኢሉ። እቲ ትካል ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣብ ክልል ዓፋር ብዘለው ዕጡቓት ፖሊስ ኣብቲ ክልል ዘሎ ኩነታት መገዲ ንምጽናዕ ዝኸዱ ሰራሕተኛታቱ ምፍርራሕን ግህሰትን ከም ዘጋጠሞም ገሊጹ ነይሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምብጻሕ እቲ ሰብኣዊ ረድኤት ስሉጥ ንክኸውን ብዝሒ ናይ መፈተሺ ጣብያታት ከም ዝነከየ ብምግላጽ \"ዋላ'ውን እዚ ጸገም እንተተፈትሐ ቑጽሪ በቶም ሰብኣዊ ረድኤት ዝህቡ ትካላት ዝብገሳ መካይን ግን ኣይወሰኸን\" ክትብል ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ነቒፋ።","category":"ድሕነት መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58674777"} {"headline":"ኣብ ናይ ፒዛ ቢሑቕ ላማታት ድሕሪ ምርካቡ ሓደ ሰራሕተኛ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ","content":"ኣብ ሓደ ናይ ፒዛ ትካል ሰራሕተኛ ዝነበረ ውልቀሰብ፡ ኣብ ናይ ፒዛ ቢሑቕ (ዘይተጠብሰ ፒዛ) ላማ ብምርካቡ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ፖሊስ ሓቢሩ። እቲ ኣብ ኣመሪካ፡ ክፍለሃገር ሜይን ዘጋጠመ ፍጻመ፡ ሓደ ዓሚል ካብቲ ትካል ኣብ ዝገዝኦ ሓያሎ ዘይተጠብሰ ፒዛታት በሊሕ ላማ ምስ ረኸበ'ዩ ኣጋጢሙ። ሰራሕተኛ ናይቲ 'ኢት ዊል ቢ ፒዛ' ዝተባህለ ትካል ዝነበረ ኒኮላስ ሚሸል፡ ምስቲ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ'ሎ። ናይቲ ትካል ካሜራ ኣብ ዝቐድሖ ጭብጢ፡ ሓደ ወዲ-ተባዕታይ ነቲ ዝተዳለወ ቢሑቓት ክተናኽፎ ይርአ። እቲ ላማታት ንምንታይ ዕላማ ኣብቲ ቢሑቓት ክስኳዕ ከምዝተደልየ ዛጊት ኣይተነጸረን። ፖሊስ መንነት ናይቲ ዝድለ ዝነበረ ሰብ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ እቲ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዘሎ ውልቀሰብ፡ ኣብ ካልእ ኒው ሃምሼር ዝተባህለ ክፍለሃገር ከምዝተታሕዘ ጸብጻባት ሓቢሮም። ዓማዊል፡ ካብ 1 ነሓሰ ክሳብ 11 ጥቅምቲ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ካብቲ ትካል ዝገዝእዎ ናይ ፒዛ ቢሑቕን፡ ዝተሰርሐ ናይ ፋርማጆ ፒዛን ክመልስዎ ብምጽዋዕ፡ ገንዘቦም ክምለሰሎምን ምዃኑ እቲ ትካል ገሊጹ'ሎ። \"ተወሳኺ ናይ ሓጺን ነገራት ኣብ ፖርትላንድ ፓይ [ዘይተጠብሰ ፒዛ] ብምርካቡ፡ ሃናፈርድ [ትካል] ንኹሉ እቲ ፒዛታት ካብ ከብሕታት ከምዝወርዱ ጌሩ ከምዘሎን፡ ንዘይተወሰነ ግዜ ተመሳሳሊ ቀረብ ኣይክህሉን'ዩ\" ይብል እቲ ትካል ዘውጽኦ መግለጺ።","category":"ድሕነት መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54527841"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዘሎ ጥምየት ንምቅላዕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርጋሕ ዘሎ ግጉይ ስእልታት","content":"ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ንዘጋጥም ዘሎ ሕጽረት መግብን ጥምየትን ንምቅላዕ መደናገሪ ስእልታት ይዝርጋሕ ኣሎ። ገለ ነጠፍቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኣብቲ ሓይልታት ትግራይ ዝኣተውዎ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ኣጋጢሙ ዘሎ ጥምየት ካብቲ ናይ ትግራይ ከምዝኸፍእ ንምግላጽ፡ ናይ ቀደም ከምኡ'ውን ግጉይ ስእልታት ይዝርግሑ ኣለዉ። ነቶም ግዳያት ጥምየት ዝበልዎም ነበርቲ ዞባ ዎሎ ረዲኤት ክረኽቡ ንምጽዋዕ ነቶም ግጉያት ስእልታት ይጥቀምሎም ኣለዉ። ሓይልታት ትግራይ ኣብቲ ከባቢ ድሕሪ ምእታዎም፡ ሲፈሕ ምፍንቓል ህዝቢ ኣጋጢሙ ምህላዉ ጸብጻባት ይገልጹ። እንተኾነ ግን እቶም ስእልታት ኣብ ካልእ ግዜን ቦታን ዝተሳእሉ ምዃኖም ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ መገርመራ ከረጋግጽ ኪኢሉ'ሎ። ንኣብነት፡ ሓደ ካብቶም ብብዝሒ ዝዝርግሑ ዘለዉ ስእልታት፡ ኣብ ሃገረ ሶማልያ፡ ርእሰከተማ ሞቓድሾ ቅድሚ 10 ዓመት ዝተሳእለ እዩ። ናይ ሶማልያ ስእልታት ይዝርጋሕ ምህላዉ ቢቢሲ ዘጋየዶ መርመራ ኣረጋጊጹ። ኲናት ትግራይ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ጥምየትን ሰፊሕ ምፍንቓልን ምስዓቡ ይፍለጥ። ካልእ ብተመሳሳሊ ኣብ ጎስጓስ ውዒሉ ዘሎ ስእሊ ድማ ብቐንዱ ናይ ትግራይ'ዩ። ብዘይካ'ዚ፡ ቅድሚ 10 ዓመት፡ ኣብ ክልል ሶማልያ (ኢትዮጵያ) ዝነበረ ኩነታት ዝገልጽ ስእሊ'ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ናይ ክልል ኣምሓራ እዋናዊ ስእሊ ከምዝኾነ ገይሮም የቕርብዎ ኣለዉ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ቀረብ መግቢ ብሰንኪ'ቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከምዝተጸልወ ሕቡራት ሃገራት ምግላጹ ይዝከር። ብመሰረት ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ዝወጸ ጸብጻብ ናይቲ ውድብ፡ ኣስታት 1.7 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ሓደጋ ውሕስነት መግቢ ኣጋጢምዎ ኣሎ። ብተመሳሳሊ ኣብቲ በቲ ኲናት ምሉእ ብምሉእ ዝተሃስየ ክልል ትግራይ'ውን 5.2 ሚልዮን ህዝቢ ሕጽረት መግቢ ኣጋጢምዎ ይርከብ።","category":"ድሕነት መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58565757"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ልዕሊ 350 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኩነታት ዓፀቦ ከምዝርከቡ ሕቡራት ሃገራት ገሊፁ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 350 ሽሕ ሰባት ኣብ ኩነታት ዓፀቦ ይነብሩ ከምዘለዉ፡ ብሕቡራት ሃገራት ዝምወልን ውሕስነት ምግቢ ዝቆፃፀርን ጉጅለ ዘዳለዎ ፀብፃብ ሓቢሩ። ዋላ'ኳ ዓፀቦ ኢልካ ንምእዋጅ ኣብ መንግስታት ዝምርኮስ እንተኾነ፡ እቲ ነቲ ፀብፃብ ዘዳለወ ደረጃ ሕፅረት ምግቢ ዝምድብ (IPC) ግና፡ ውሕስነት ምግቢ ንምልካዕ፡ ካብ \"ዝወሓደ ክሳብ እቲ ዝሓሰመ ደረጃ ዓፀቦ\" ንምልካዕ ሓሙሽተ ደረጃታት ረቑሑ። እዚ ፀብፃብ፡ ብሕፅረት ምግቢ ዝምድብ ጉጅለ (IPC)፡ ኣብታ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኩናት ዝተኣወጀላ ትግራይ፣ ገለ ከባቢታት ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን፡ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ወርሒ ጉንበትን ሰነን ዝተኻየደ እዩ። ኮሚሽነር ብሄራዊ ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣይተ ምትኩ ካሳ፡ ምስ ሚንስተር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፡ ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ገበርቲ ሰናይ ብምትሕብባር ሰብኣዊ ሓገዛት የቕርብ ከምዘሎ ተዛሪቦም። \"እዚ ኣሃዝ ዝጠመዩ ሰባት፡ ካብቲ ኣብ ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2011 ኣብ ሶማልያ ዘጋጠመ ዓፀቦ ዝለዓለ ከምዝኾነ\" እቲ ፀብፃብ ጠቒሱ። \"እዚ ቅልውላው ብሰንኪ እቲ ዝቕፅል ዘሎ ጎንፂ፣ ምምዝባል ህዝቢ፣ እገዳታት ምንቅስቓስ፣ ንትካላት ረድኤት ድሩት ፍቓድ ምህላው፣ ምዝማት ዝራእትን ጥሪትን፡ ኢሉ'ውን፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዕዳጋታት ብዘይምህላዎምን ዝሰዓበ እዩ\" ኢሉ። ካብ ወርሒ ጉንበት ጀሚሩ 5.5 ሚልዮን ህዝቢ ከቢድ ሕፅረት ምግቢ ኣጋጢምዎ ከምዝነበረ ድማ፡ IPC ገሊፁ። እቲ ጉጅለ ነዞም ደረጃታት ከምዚ ዝስዕብ ይኸፍሎም፡ እቲ ኩነታት ካብ ዝቕፅል ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ከምዝጋደድ ድማ ሓቢሩ። ትካል ምግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት፣ ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ዩኒሴፍን፡ ነዚ ቅልውላው ህፁፅ ፍታሕ ክግበር ፀዊዖም ኣለዉ። ዳይሬክተር ምግብን ሕርሻን ዓለም ኩ ዶንዡ፡ \"ብፍላይ ኣብ ገጠራት ትግራይ ዝርከቡ ማሕበረሰባት፡ በቲ ዘሎ ጎንፂ ኣዝዮም ተሃስዮም እዮም። ዝበዝሕ ሕርሻ ዓንዩ፡ ክፈርዩ ዝኽእሉ ከም ዘርእን ጥሪትን'ውን ጠፊኡ እዩ\" ኢሉ። ዋና ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዴቪድ ቢስለይ ብወገኑ፡ ኣብ ትግራይ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ክበፅሕዎም ዘይኽእሉ ቦታታት ብዙሓት ከምዝነበሩ ገሊፁ። \"ሰብኣዊ ሓገዛት ንምብፃሕ ሓቲትና ኢና፡ እንተኾነ ሕዚ'ውን ብዕጡቓት ጉጅለታት ይኽልከሉ ኣለዉ። ጥሜት ከየጋጥም ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝቢ ቀንዲ ኣግልግሎታት ክረክብን ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ሓገዝ ምግቢ ከብፅሐሎምን ግድነታዊ'ዩ። \"ካብ ዋና ዋና ከተማታት ብዝዘለለ ኣብ ካልኦት ከባብታት ኣብ ሓደጋ ዘሎ ህዝቢ ሓገዝ ንምብፃሕ ብዘይ ገለ ምድንጓይ መእተዊ ክፍቀድ ይግባእ\" ኢሉ። ሕፅረት ምግቢ ዝምድብ (IPC) እቲ ዘዳለዎ ፀብፃብ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘይተደገፈ ገሊፁ። ቢሮ ሕርሻን ልምዓትን ትግራይ፡ 6 ነጥቢ 3 ሚልየን ህዝቢ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮን፡ ሰብኣዊ ሓገዛት ንከይባፃሕ ፀገማት ፀጥታ ብድሆ ከምዝኾነን፡ ንተሌቬዥን ትግራይ ገሊፁ። መንግስቲ እታ ሃገር፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኩናት፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙናት ብዓወት ከምዘብቅዐ እኳ እንተገለፀ፡ ሕዚ'ውን ንሸውዓተ ኣዋርሕ ውግእ ይቕፅል ከምዘሎ እዩ ዝግለፅ።","category":"ድሕነት መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57434423"} {"headline":"ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዋግኽምራ 'ሰባት ብጥምየት ይሞቱ' ከምዘለዉ ተገሊጹ","content":"ኣብ ምምሕዳር ብሄረ ሰብ ዋግኽምራ ብዙሓት ሰባት ብጥምየት ይሞቱ ከም ዘለዉ ካብቲ ከባቢ ናብ ባህርዳርን እብናትን ዝመጽኡ ነበርትን ሓለፍትን ንቢቢሲ ገሊጾም፡፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ረድኤት ተዋሂብዎም ከም ዘይፈልጥ ምክትል ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግኽምራ ኣቶ ተስፋዬ ገብሬ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡ ዋና ከተማ እቲ ምምሕዳር ብሄረ ሰብ ዝኾነት ሰቖጣ ሓዊሱ ካልኦት ከተማታት እቲ ዞባ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ትግራይ ከም ዘለዋ ዝገለጸ እቲ ምክትል ኣመሓዳሪ፡ መብዛሕቲኡ ተጸባዪ ሓገዝ ዝኾነ ህዝቢ እቲ ከባቢ ካብ መጀመርታ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ዝኾነ ዓይነት ረድኤት ከም ዘይረኸበ ገሊጹ፡፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ኲናት ናብ ክልል ኣምሓራ ምምሕዳር ዋግኽምራ ካብ ዝተጋፈሐሉ እዋን ጀሚሩ መብዛሕትኦም መንገዲታት ንሰብኣዊ ሓገዝ ዕጹዋት ኮይኖም ምጽንሖም እውን ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡ ገለ ነበርቲ ድማ፡ ነቲ ከባቢ ምስ ላሊበላ ኮነ ሰቖጣ ዘራኽብ መንገዲ ብኣቆጻጽራ ግእዝ ካብ 9 ሓምለ 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ጀሚሩ ስለ ዝተዓጽወ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን መድሓኒትን ሙሉእ ብሙሉእ ብምቁራጹ ነቲ ጸገም ከም ዘጋደዶ ይገልጹ፡፡ በዚ ምኽንያት ብዙሕ ህዝቢ ንከቢድ ጸገም ከም ዝተቓለዐን ብዙሓት ሰባት ብጥምየት ይሞቱ ከም ዘለዉን ኣመሓደርትን ነበርትን እቲ ከባቢ ይገልጹ፡፡ ኮሚሽን ምክልኻል ሓደጋን ውሕስነት ምግብን ክልል ኣምሓራ፡ ኣብቲ ክልል ልዕሊ 5 ሚልዮን ሰባት ሓገዝ ምግቢ ከም ዘድልዮም እዩ ዝገልጽ፡፡ ኣብቶም ሓይልታት ትግራይ ዝተቖጻጸርዎም ከባቢታት ልዕሊ 110 ኣደታት፣ ህጻናትን እናተመላለሱ ዝሕከሙን ሰባት ብሕጽረት ምግቢ፣ ማይን መድሓኒት ሞይቶም እዮም ይብል፡፡ እንተኾነ ኣብቲ ከባብያዊ ምምሕዳራት ስለ ዝፈረሱ እቲ ቑጽሪ ብትኽክል ክፍለጥ ከም ዘይተኽኣለን ክዛይድ ከም ዝኽእልን ብምሕባር፡ ካብቲ ከባቢ ተፈናቒሎም ኣብ መዕቆቢታት ዝርከቡ ሰባት እውን ንሕጽረት መግብን መድሓኒትን ተቓሊዖም ኢሉ፡፡ ‘. . . ዕሽሽ ተባሂልና ’ ሓይልታት ትግራይ ንምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግ እንትቆጻጸሩ ብዙሕ ሰብ ካብ ከባቢኡ ከም ዝተፈናቐለ ዝገልጽ ምክትል ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ኣቶ ተስፋዬ፡ ‘‘ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ሙሉእ ብሙሉእ ተቛሪጹ እዩ፤ ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ክብደት እቲ ጸገም ንዓለም ለኻዊ ትካላት‘ኳ እንተፍለጥና ማንም ክበጽሐልና ኣይከኣለን . . . ’’ ኢሉ፡፡ ንሱ ከም ዝሕብሮ ካብ ከባቢኦም ዝተፈናቐሉ ኣስታት 50 ሽሕ ነበርቲ እቲ ዞባ ብንጽጽር ዝሓሸ ሰብኣዊ ሓገዝ'ኳ እንተረኸቡ ንሳቶም እውን ግን ኣብ ጸገም እዮም ዘለዉ፡፡ ኣብቲ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣስታት 635 ሽሕ ህዝቢ ንጸገም ተቓሊዑ ኣሎ ዝብል ኣቶ ተስፋዬ፡ ቁጽሪ መወትቲ ካብቲ ኣብ መራኸቢ ሓፋሽ ዝስማዕ ዝበዝሕ ክኸውን ይኽእል እዩ ይብል፡፡ ብተወሳኺ ልዕሊ 90 ሚኢታዊት ነበርቲ እቲ ምምሕዳር ብሄረ ሰብ ተጠቀምቲ ሓገዝ ሴንፍቲ ኔት ከም ዝነበሩ ብምግላጽ ሕጂ ግና ሓገዝ ክበጽሖም ከምዘይኽኣለ ተዛሪቡ፡፡ ኣብ ምምሕዳር እቲ ብሄረ ሰብ፡ ወረዳ ጋዝጊብላ ነባሪ ዝኾነ ኣቶ ወንድሙ ወዳጅ፡ ኣብዚ ሰሙን ናብ ባህርዳር ተፈናቒሎም ካብ ዝመጽኡ ሰባት ሓደ እዩ፡፡ ንሱ ከም ዝብሎ ኣብቲ ከባቢ ከቢድ ጥምየት ስለ ዘጋጠመ ክንቀሳቐሱ ካብ ዘይክእሉ ሽማግለታት ወጻእ መብዛሕትኡ ነባሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምርካብ ይስደድ እዩ ዘሎ፡፡ ‘‘ቤተሰብ እንተወሓደ ህይወት ደቁ ከትርፍ ሓገዝ እንተረኸቡ እናበለ ደቁ ናብ ባህርዳርን እብናትን ይልእኽ ኣሎ፡፡ ኮይኑ ግና ኣብዚ እውን ረድኤት የለን ኢሎምና’’ ኢሉ፡፡ ወሲኹ፡ \"ንዝተወሰነ እዋን ሰብ ዘለዎ እናተለቓቐሐ ይበልዕ ነይሩ፡፡ ድሕሪ ግዜ ግን ብፍላይ ዓቕሞም ዝደኸመ ሰባት ኣዐርዮም ስለ ዝተጸገሙ፡ ንሕና መናእሰይ ገዛ ገዛ እናለመንና ነቶም ዝጠመዩ ንሕግዞም ኔርና፡፡ ኮይኑ ግና ሐዚ ገዲፍናዮም ስለ ዝመጻእና ይሃልዉ ይሙቱ ኣይንፈልጥን’’ ይብል፡፡ ሓላፊ ኮምኒኬሽን መንግስቲ ወረዳ ጋዝጊብላ ኣቶ ሰለሞን መዓዛ እውን፡ ኣብቲ ወረዳ ሰባት ብጥምየት ይሞቱ ከም ዘለዉ እዩ ዝገልጽ፡፡ ኣብ ኩለን ወረዳታት ተረኺብካ እቲ ሓቀኛ ኣሃዝ ንምምዝጋብ ከም ዝኸብድ ዝገልጽ እቲ ሓላፊ፡ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ብጥምየት ናይ ዝሞቱ ሰለስተ ዝፈልጦም ሰባት ከም ዝተረኸበ ተዛሪቡ፡፡ ብተወሳኺ ኣብቲ ወረዳ ካብ ዝነበሩ 23 ሽሕ ተጠቀምቲ ሴፍቲ ኔት መብዛሕትኦም ንመወዳእታ ግዘ ኣብ ወርሒ ጉንበት ሓገዝ ከም ዝረኸቡ ብምግላጽ ኣብ ወርሒ ሓምለ ብውሑድ 6 ሽሕ ሰባት ህጹጽ ሓገዝ የድልዮም ነይሩ ኢሉ፡፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብቲ ከባቢ ኣገልግሎታት ማይ፣ መብራህቲ፣ ባንክን ካልእን ተቛሪጾም ይርከቡ። ብሰንኪ እቲ ጎንጺ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ኣስታት 7 ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሓገዝ ከም ዘድልዮ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ፡፡ ኣብ ክልል ትግራይ ጥራሕ ኣስታት 5.2 ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሓገዝ ከም ዘድልዮ ዝተሓበረ ኮይኑ ኣስታት 400 ሽሕ ህዝቢ ኣብ ጫፍ ዓጸቦ ከም ዘሎ ትካላት ረድኤት ይሕብሩ፡፡","category":"ድሕነት መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59170345"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዝርከቡ ቆልዑ ሕጽረት መግቢ የጥቅዖም ከምዘሎ ዶብ-ኣልቦ-ሓካይም ኣጠንቂቑ","content":"ካብ ከተማታት ወጻኢ ዝነብር ህዝቢ ትግራይ ዝያዳ ግዳይ ናይቲ ኣብቲ ክልል ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላዉ ከምዝኾነ፡ ዶብ-ኣልቦ-ሓካይም (MSF) ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ማሕበር ግብረሰናይ ሓቢሩ። እቲ ኣብቲ ክልል ብምእታው ኣገልግሎት ሕክምና ዝህብ ዘሎ ትካል ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መብርሂ፡ ኣብ ገጠራት ትግራይ ዝነብሩ ብዙሓት ሰባት መሰረታውያን ኣገልግሎታት ክረኽቡ ከምዘይክኣሉ ገሊጹ። ኣባላቱ ናብ ገለ ቁሸታት ኣብ ዝኸድሉ እዋን፡ ትካላት ጥዕና ፈሪሶምን ተዘሚቶምን ከምዝራኣዩን፡ ነበርቲ እቶም ከባቢታት ንኣዋርሕ ኣድላዪ ሕክምና ተሓሪምዎም ከምዝጸንሐን ኣረጋጊጾም። እቲ ብ3 ሕዳር ኣብቲ ክልል ዝተጀመረ ኲናት፡ ዋላ'ኳ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ወርሒ ከምዝተወደአ ብመንግስቲ ፈደራል ተገሊጹ እንተነበረ፡ ንልዕሊ 6 ኣዋርሕ ይቕጽል ምህላዉ ይፍለጥ። እቲ ግጭት፡ ኣብቲ ክልል ሰፊሕ ምፍንቓል ከም ዘስዓበን፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ነበርቲ ናብ ሱዳን ክሃድሙ ከምዝተገደዱን ጸብጻባት ትካላት ረዲኤት የረድኡ። ቁጽሮም ብንጹር ዘይተፈልጠ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብቲ ኲናት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት። ትካላት ሰባዊ መሰላት፡ እቲ ኣብ ኩነታት ተፈጺሙ ዝብሃል ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ብናጻ ኣካል ክጻረ ክጽውዑ ምጽንሖም ይዝከር። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮ ኣብ ማእከል ኲናት ዝተቐርቀረ ህዝቢ ንምድጋፍ ትካላት ረዲኤት ናብቲ ክልል ክኣትዉ'ኳ እንተ ኣፍቀደ፡ እቲ ናብ ገጠራት ዝበጽሕ ዘሎ ሓገዝ ውሱን ምዃኑ ይግለጽ። \"ዋላ'ኳ ካብ ለካቲት ጀሚሩ፡ ትካላት ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ትግራይ ጉጅለታት ሰዲደን እንተ'ለዋ፡ እቲ ኣብ ባይታ ዝወሃብ ዘሎ ግን ክሳብ ሕጂ ኣዝዩ ዉሱን'ዩ። ዳርጋ ካብ ዓበይቲ ከተማታት ዝሓልፍ ኣይኮነን\" ይብል ዶብ-ኣልቦ ሓካይም። ብሰንኪ'ቲ ኩነታት፡ ከቢድ ሕጽረት መግቢ ኣጋጢሙ ከምዘሎን፡ ብፍላይ ህጻናት ካብቶም በቲ ሕጽረት ዝሳቐዩ ዘለዉ ምዃኖም'ውን ሓቢሩ። ህጻናት ኣድሕን (ሰይቭ ዘ ቺልድረን) ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣስታት 5 ሽሕ ህጻናት ኣብቲ ኲናት ካብ ስድራቤቶም ከምዝተፈላለዩ ትካል ገሊጹ ነይሩ። እቶም ንጥምየትን ኣካላዊ መጥቃዕቲ ዝተቓልዑ ዝበሎም ህጻናት፡ ናብ መዕቆቢ ተፈናቐልቲ ይውሕዙ ምህላዎም እቲ ማሕበር ይጠቅስ። ኣብተን ኣባላት ኤም-ኤስ-ኤፍ ዝበጽሑወን፡ ዓዲ-ፍታውን ሰበያን ዝተባህላ ዓድታት ዝርከባ ማእከላት ጥዕና፡ ተዘሚተንን፡ ብኸፊል ዓንየንን ከምዝረኸቡ'ውን እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ። ኣብ ማእከል ጥዕና ሰበያ ዝነበረ ክፍሊ መዋልዳን ብከቢድ ብረት ተሃሪሙ ከምዝዓነወን፡ ኣብቲ ቦታ ዝነበረት ኣምቡላንስ ከምዘየለን'ውን ኤም-ኤስ-ኤፍ ሓቢሩ። ብሰንኪ'ቲ ኩነታት ነፍሰ-ጾራት ዝሓርሳሉ ቦታ ከምዘይብለን፡ ንገለ ነበርቲ ብምጥቃስ፡ ገሊጹ። ክራማት ኣብ ዝኣትወሉ ዘሎ እዋን፡ እኹል ሓገዛት ናብቲ ዘይተበጽሐ ከባቢታት ክኣቱ እንተዘይኪኢሉ፡ ህዝቢ ንሕማማትን ጥሜትን ከይቃላዕ ስግኣት ፈጢሩ'ሎ። ኣመዓባብላ ናይቲ ኵናት ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገመንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ። ጠንቂ ናይቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ መጋቢት 2018 ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣንን ምድኻምን ምድፋእን ህወሓት ካብቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዓብላልነት ዓትዒትዎ ዝነበረ ፈደራላዊ ስልጣንን ዝተኣሳሰር'ዩ። ኣብ ሕዳር 2019፡ ኢህወዴግ ውሁድ ገዛኢ ሰልፊ ክኽውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ ህወሓት ነቲ ውሳነ ስለዘይተቐበሎ ከምዝወጽእ ኣነጺሩ። ኣብ ክፍላ ሕዳር ናይቲ ዓመት ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ፍትሕ ወግዓዊ ኮይኑ። በዚ ድማ ብልጽግና ገዛኢ ሰልፊ ኮይኑ፡ ህወሓት ከኣ ከም ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብዶ\/ር ኣብዪ ዝምራሕ ብልጽግና ደው ኢሉ። ኣብ መጋቢት 2020 ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል'ዩ ዝብል ምጉት ብምልዓል ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን። እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይቲ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ዝነበሮ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ንውሳነ ኮሚሽን ምርጫ ብምርዓም፡ ዕድመ ስልጣን ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት ክናዋሕ ውሳነ ኣሕሊፉ። ህወሓትን እቲ ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብወገኖም፡ እቲ ውሳነ \"ዘይሕገመንግስታዊን\" \"ዘይሕጋውን\" ብምባል ንውሳነ ናይቲ ቤትምኽሪ ነጺግዎ። ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልቲኡ ባይቶታትን ኣፍልጦ ከምዘይህቦም'ውን ኣፍሊጡ። እቲ ውሳነ ቅድሚ ምሕላፉ'ውን፡ እታ ኣፈጉባኤ ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝነበረትን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን ዝነበረት ወ\/ሮ ኬርያ ኢብራሂም እቲ ውሳነ ከይሓለፈ እንከሎ ተቓውሞኣ ንምግላጽ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ወሪዳ። ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንውሳነ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ድሕሪ ምጽዳቑ ኸኣ፡ ባይቶ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ምርጫ ከካይድ ብ12 ሰነ 2020 ወሲኑ። ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ክልላዊ ምርጫ ከካይዶ'ኳ ብወገን ትግራይ ጠለብ ቀሪቡሉ እንተነበረ፡ ስለዝነጸጎ፡ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ከቕውም ተገዲዱ። ብ9 መስከረም 2020 ድማ ምሉእ ብምሉእ ህወሓት ዝተዓወተሉ ክልላዊ ምርጫ ተኻይዱ። ድሕሪ'ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም። እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ። ብወገን ህወሓት፡ ዝርርብ ክካየድ እንተኾይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርት፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፈትሕን ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ክፍጠርን ዝብል ቅድመ ኵነት ቀሪቡ። እንተኾነ ግን፡ እቲ እናኸረረ ዝመጸ ምትፍናንን ወጥሪን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕን ሰፊሕን ኲናት ኣምሪሑ፡ ኣብቲ ክልል ከቢድ ቅልውላዉ ፈጢሩ ይርከብ።","category":"ድሕነት መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57002420"} {"headline":"ቅልውላዉ ትግራይ፡ ልዕሊ 400 ረዲኤት ከብጽሓ ናብ ትግራይ ዝኣተዋ መካይን ኣይተመልሳን ተባሂሉ","content":"ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ትግራይ ከብጽሓ ዝተኻረየን ብዙሓት ናይ ጽዕነት መካይን ኣበይ ከምዘለዋ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ንቢቢሲ ሓቢሩ። እተን ተሽከርከርቲ ካብቲ ብኲናት ዝተሓመሰ ክልል ክምለሳ ዘይምኽኣለን ከምዘሻቐሎ እቲ ትካል ኣቐዲሙ ገሊጹ ነይሩ'ዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ትግራይ ነተን መካይን ኣብ ናይ ኲናት መዓላ ይጥቀሙለን ከይህልዉ ጥርጣረ ከምዘለዎ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መብርሂ ምግላጹ ይዝከር። እንተኾነ ግን፡ ኣፈኛ ሓይልታት ትግራይ ዝኾነ ጌታቸው ረዳ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ እተን መካይን ብሰንኪ ስእነት እኹል ነዳዲ ክምለሳ ከምዘይክኣላ ተዛሪቡ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ነተን መካይን ንምምላስ ምስ ተቓወምቲ ሓይልታት ትግራይን ትካላት መጓዓዝያን ክዘራረብ ድሉው ምዃኑ ብምግላጽ፡ ምምላስ ናይተን ተሽከርከርቲ ኣብ ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ወሳኒ ምዃኑ ገሊጹ'ሎ። ኣብቲ 10 ወርሑ ዘቑጸረን ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝለሓመን ኲናት ትግራይ፡ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ምስዓቡን፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ተጸበይቲ ህጹጽ ረዲኤት ኮይኖም ምህላዎምን ይፍለጥ። ሰብኣዊ ረዲኤት ሒዘን ንክልል ትግራይ ካብ ዝኣተዋ መካይን 428 ክሳብ ሕጂ ከምዘይተመልሳ ኣፈኛ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ገሊጻ። ቢልለኔ ስዩም ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብዘይመንግስታዊ ማሕበራት መግብን ካልኦት ቀረባትን ዝጸዓና 590 ናይ ጽዕነት መካይን ካብ ሰመራ (ክልል ዓፋር) ናብ መቐለ ምእታወን ሓቢራ። እተን ዘይተመልሳ ተሽከርከርቲ ኣብ ምንታይ መዓላ የገልግላ ከምዘለዋ ስለዘይተፈልጠ፡ ብወገን መንግስቲ ጥርጣረ ከምዝሓደረ'ውን ጠቒሳ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት'ውን ብወገኑ፡ ካብተን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝኣተዋ 149 ተሽከርከርቲ፡ ዝኾነት መኪና ከምዘተመልሰት ሓቢሩ። ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ናብ ትግራይ ካብ ዝኣተዋ 466 ተሽከርከርቲ፡ እተን 38 ጥራይ ከምዝተመልሳ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን፡ ሚኒስትሪ ሰላም ብዛዕባ'ተን ዘይተመልሳ ናይ ረዲኤት መካይን ተመሳሳሊ መግለጺ ሂቡ ነይሩ። እታ ኣፈኛ ከምዝበለቶ፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብቲ ክልል ንምብጻሕ ናይ ምድርን ኣየርን መጓዓዝያታት ይቕጽል ኣሎ። ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ሰብኣዊ ረዲኤት በረራታት ቅድሚ ሓደ ሰሙን ከምዝጀመረ'ውን ተዛሪባ። ካብ መግቢ ወጻኢ፡ ኣስታት 760 ሽሕ ሊትሮ ነዳዲን ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሜትሪክ ቶን ናይ ሕርሻ ቀረባትን ናብቲ ክልል ኣትዩ'ሎ ትብል እታ ኣፈኛ። ኣብቲ ረዲኤት ናብቲ ክልል ዝጓዓዘሉ መስመር ካብ ዝነበሩ 7 ኬላታት ነቲ ጉዕዞ ንምስላጥ ተባሂሉ ናብ ክልተ ከምዝወረደ'ውን ቢልለኔ ሓቢራ። ኲናት ትግራይ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ድሕሪ ምውልዑ፡ ኣብቲ ክልል ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ዓጾቦ፡ ጥምየትን ስደትን ምስዓቡ ይፍለጥ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣጋጢሙ ዘሎ ምፍንቓል ሓይልታት ትግራይ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብምእታዎም፡ ዜጋታት ንዝተፈላለዩ ጸገማት ከምዝተቓልዑ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብሪሁ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ጥራይ ልዕሊ 500 ሽሕ ሰባት ከምዝተፈናቐሉ ዝገለጸት እታ ኣፈኛ፡ ዝበዝሑ ካብ ከባቢታት ዋግ ኽምራ፡ ሰሜን ጎንደር፡ ደቡብ ጎንደር፡ ሰሜን ወሎን ደቡብ ወሎን ዝተፈናቐሉ ምዃኖም ሓቢራ። ካብ ሰሜን ወሎ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ደሴ ተዓቚቦም ዘለዉ ተፈናቐልቲ ኣስታት 270 ሽሕ ከምዝኾኑ'ውን ኣብቲ መግለጺ ጠቒሳ። መንግስቲ ክሳብ ሎሚ፡ ልዕሊ 53 ሽሕ ኩንታል እኽሊ ናብቶም ኣብ ደሴን ዋግ ኽምራን ዝርከቡ ተፈናቐልቲ ኣብጺሑ'ሎ። ኣብቶም ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሓይልታት ህወሓት ዝርከቡ ከባቢታት ረዲኤት ምብጻሕ ከምዘይተኻእለ ድማ ቢልለኔ ተዛሪባ። ትካላት ረዲኤት ንትግራይ ዝሃብዎ ኣቓልቦ ንክልላት ኣምሓራን ዓፋርን'ውን ክህቡ መንግስቲ ጸዊዑ'ሎ።","category":"ድሕነት መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58590951"} {"headline":"ውሕሰነት መግቢ፡ ኩለን ከብቲ ወረቐት ልደት ክዋሃባ እየን","content":"ኩለን ኣብ ኡጋንዳ ዘለዋ ከብቲ ምስክር ወረቐት ክወሃባ ምዃነን ደይሊ ሞኒተር ዝተባህለ ጋዜጣ'ታ ሃገር ሓቢሩ። ዕላማ ናይቲ ውሳነ፡ ቅጥዕታት ሕብረት ኣውሮጳ ንምኽባርን፡ ብዛዕባ ድሕረ ባይታ ናይቶም እንስሳ ብቐሊሉ ክፍለጠሉ ዝኽእል መንገዲ ንምፍጣርን'ዩ። ናብ ሕብረት ኣውሮጳ ዝኣቱ ስጋ ኾነ ካልእ ዓይነት መግቢ ዝልእካ ሃገራት፡ ንድሕረ ባይታ ናይቲ ዝልእክኦ ዝምልከት ምስክርነት ክረጋግጻ ኣለወን፡ ክብል ሚኒስተር ሕርሻ፡ ኢንዱስትሪ እንስሳን ሃብቲ ዓሳን ኡጋንዳ ቪንሰት ሰምፒጃ ተዛሪቡ። ብሰንኪ ምስክርነት ዘይምህላዉ፡ ካብ ኡጋንዳ ዝተላእከ ፍርያት ብሕብረት ኣውሮጳ ከም ዝዕገትን ከም ዝእገድን ኮይኑ ክብል'ውን ገሊጹ። \"ሓረስቶት ክምዝገቡ'ዮም። እቲ ዘፍርይዎም'ውን ፍሉይ 'ባርኮድ' ክወሃቦም'ዩ፡ ኣብ ሓደ ካሴታ ዝኾነ ጸገም እንተ ተረኺቡ፡ ምንጩ ኣበይ ምዃኑ ፈሊጦም፡ ነቲ ጸገም ክፈትሕዎ ይኽእሉ\" ኢሉ። \"ሓረስቶት ክምዝገቡ እንተ ዘይኪሎም፡ ናብ ኣኽሳቢ ዕዳጋ ክንኣቱ ኣይንኽእል ኢና\"። ሕርሻ ሓደ ካብ ቀንዲ ክፋላት ቁጠባ እታ ሃገር ምዃኑ ይፍለጥ። ቡን፡ ቆጽሊ ሻሂ፡ ዕፉንን ጥረምረን ንወጻኢ ብምስዳድ ድማ ብቢልዮናት ዝቐጸር ናይ ወጻኢ ሸርፊ ትረክብ።","category":"ድሕነት መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49020071"} {"headline":"ን50 ዓመታት ሰብነቱ ከይተሓጽበ ዝጸንሐ ሰብኣይ ኣብ 94 ዓመቱ ዓሪፉ","content":"ሚዲያታት ዓለም “ረሳሕ ሰብኣይ ዓለምና” ኢለን ዝጽውዕኦ፡ ነብሱ ተሓጺቡ ዘይፈልጥ ኢራናዊ ሰብኣይ ኣብ መበል 94 ዓመቱ ሞይቱ። ኣሞው ሓጂ፡ ከይሓምም ስግኣት ስለ ዝነበሮ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን [50 ዓመታት] ብማይን ሳሙናን ተሓጺቡ ኣይፈልጥን። እዚ ኣብ ደቡባዊ ግዝኣት ፋርስ ዝነብር ዝነበረ ኢራናዊ፡ ቅድሚ ሕጂ ደቂ ዓዲ ንኽሕጸብ ጻዕሪታት’ኳ እንተገበሩ ካብ ምሕጻብ ተቘጢቡ'ዩ ጸኒሑ። እቲ ሓዳር ዘይብሉ ኢራናዊ፡ ኣብ መወዳእታ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ብጸቕጢ ተደፊኡ ተሓጺቡ ከምዝነበረ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ይገልጹ። ማዕከን ዜና ኢራን ኢራን ከምዝሓበሮ፡ ንቁሩብ ግዜ ድሕሪ ምሕማሙ እዩ ብሰንበት ዓሪፉ። ሓጂ ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2014 ንጋዜጣ ቴህራን ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት፡ እቲ ዝፈትዎ መግቢ ፖርኩፓይን ምዃኑን፡ ኣብ ሞንጐ ኣብ መሬት ዝርከብ ጉድጓድን ኣብ ቁሸት ደጅጋህ ብግዱሳት ጎረባብቲ ኣብ ዝተሃንጸ ገዛ ከም ዝነብርን ገሊጹ ነይሩ። ንዓመታት ዘይምሕጻቡ፡ ብ\"ረስንን ዕንፍሩርን\" ዝተሸፈነ ቆርበት ከም ዝገደፈሉ፡ ዝኣረገ ቆርቆሮ ተጠቒሙ ዝበስበሰ ስጋን ጽሬት ዘይብሉ ማይን ይምገብ ከም ዝነበረ እቲ ማዕከን ዜና ሓቢሩ። ሽጋራ ምትካኽ እውን ይፈቱ ነይሩ። እንተወሓደ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ብሓንሳብ ካብ ሓደ ንላዕሊ ሽጋራ እናትከኸ ዝረኣየሉ ስእሊ ኣሎ። እቲ ማዕከን ዜና ወሲኹ፡ ንክሕጸብ ወይ ድማ ጽሩይ ማይ ንኽሰቲ ዝግበር ፈተነ የሕዝኖ ከም ዝነበረ ይጠቅስ። ይኹን እምበር፡ ከይተሓጸበ ነዊሕ ግዜ ብምጽናሕ ክብረወሰን ሒዙ ድዩ ዘሎ ዝብል መካትዒ ኮይኑ ጸኒሑ። ኣብ 2009፡ ሓደ ህንዳዊ ሰብኣይ ን35 ዓመታት ኣስናኑ ከም ዘይሓጸበ ወይ ከም ዘየጽረዮ ዝሕብሩ ጸብጻባት ነይሮም። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ እንታይ ከም ዘጋጠሞ ግን ንጹር ኣይኰነን።","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crg3x9ypzjjo"} {"headline":"ፌስቱላ ደቂ ተባዕትዮ፡ ብዙሓት ዘይፈልጥዎ ሕማም","content":"ሕማም ፌስቱላ ብዝያዳ ኣብ ደቂ ኣንስተዮ ዝረአ ሕማም ከምዝኾነ  ዝግለጽ እኳ እንተኾነ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ እውን ብብዝሒ ይረአ እዩ። እዚ ሕማም’ዚ ኣብ ሞንጎ ክልተ ክፋል ኣካለት ደቂ ሰባት ዝፍጠር ዘይንቡር ከም ካናለ\/መትረብ ዝግለጽ ፈቓቕ እዩ። ኣብ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ሴንተር ፎር ትሮፒካል ኤንድ ትራቭል መዲሰን ኣብ ዝብሃል መደበር ጥዕና ሓፈሻዊ ሓኪም ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ዶክተር መድሃኔ ሃይለ ፊስቱላ ኣብ ዝኾነ ክፋል ኣካላት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝኽሰት ሕማም ምዃኑ ይጠቅስ። ንሎሚ ግን ኣጽብብ ኣቢልና ኣብ መቐመጫ [መሃንቱስ] ደቂ ተባዕትዮ ንዝውጽእ ፊስቱላ  ክንድህስሶ ኢና። ፊስቱላ ኣብ መንጎ ክልተ ክፍሊ ኣካላት “ኣብ ሞንጎ ክልተ ሰራውር ደም፡ ኣብ መንጎ መዓንጣን ቆርበትን፡ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ኣብ ሞንጎ ፍሕኛን ርሕምን፡ ኣብ ሞንጎ ፍሕኛን መንጎ ማህጸንን ኣብ ካልእን ዝኽሰት’ዩ ዘይንቡር ካናለ እዩ” ይብል ዶክተር መድሃኔ። ኣብ መቐመጫ ደቂ ተባዕትዮ ዝወጽእ ፊሰቱላ፡ ኣብ ሞንጎ ናይ መወዳእታ ጫፍ ገፊሕ መዓንጣን ቆርበትን ዘይንቡር መትረብ ምስ ዝፍጥር ዝኽሰት እዩ።  ኣብ ደቂኣንስትዮ’ውን ጠንቁ ሓደ እዩ። ዶክተርመድሃኔ “ብዘይካ እዚ ምስ ሕርስን ጥንስን ዝተሓሓዝ ዓይነት ፊሰቱላ፡ መብዛሕትኡ ዓይነታት ፊስቱላ ጠንቁ ኣብ ክልቲኡ ጾታታት ተመሳሳሊ’ዩ” ይብል። ሕማም ፉስቱላ መብዛሕትኡ ግዜ ንደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዘጥቅዕ ሕማም ዝመስሎ ሰብ ብዙሕ እዩ። እንተኾነ፡ ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝወጽአ ጸብጻም ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ኩሉ ዓይነታት ፌስቱላ እቲ ቁጽሪ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ከምዝዛይድ እዩ ዘርኢ። ዶክተርመድሃኔ ንጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም ምርኩስ ብምግባር“ብሓፈሻ ኣብ ክልቲኡ ጾታታት ካብ 100 ሽሕ ሰባት 8.6 ብፉስቱላ ይጥቅዑ፡ ብጾታ ፈሊና ምስ ንርእዮ ከኣ  ኣብ ደቂተባዕትዮ ካብ 100 ሽሕ  ሰባት 12.3 ክኸውን እንከሎ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ከኣ 5.6 ካብ 100 ሽሕ በዚ ብፊስቱላ ይጥቅዓ” ይብል። ዶክተር መድሃኔ ዝብዝሐ ፌስቱላ ኣብ ከባቢ መሃንቱስ ብዝፍጠር ረኽሲ ከምዝብገስ’ዩ ዝገልጽ። “እቲ ረክሲ መብዛሕትኡ ግዜ ምግሊ ኣንጭዋ እናተባሃለ እዩ ዝግለጽ። ብሕክምና ከኣ anal abscess ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ፡ እቲ ሕበጥ ኣብ ቆርበትና ኣፍ ዘለዎ ክኸውን ይኽእል እዩ ወይ’ውን ብልዕሊ ቆርበት ዝኾነ ምልክት ዘየርኢ ክኸውን ይኽእል እዩ” ብምባል ይገልጾ። ቀንዲ ጠንቂ ፌስቱላ ደቂ ተባዕትዮ፡ ብማዕበስቲ ሻንብቖታት ጽክታት መሃንቱስ ዘስዓቦ ረኽሲ ዘምጽኦ ሕበጥን ነድርን ኮይኑ •   ክሮህን ዝብሃል ኣብ መዓናጡ ነድሪ ዝፍጠር ሕማም (ብሕማም ክሮህን ካብ ዝጥቅዑ ሰባት እቶም 25 ሚኢታዊት ብሕማም ፌስቱላ ይጥቅዑ)። •  ብጸርጊ ዝግበር ፍወሳ መንሽሮ •   ቁስሊ መሃንቱስ •  ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት •   ሕማም ዓባይ ስዓል ናይ መዓንጣ •  ኣብ ገፊሕ መዓንጣ ነድሪ ዝፈጥሩ ዳይቨርቲኩሊቲስ (Diverticulitis) ዝብሃልሕማም •   ሕማም መንሽሮ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መሃንቱስ ንዝፍጥር ዝኾነ ዓይነት ሕበጥ ብዙሕ ሰብ ሕማም ኦሞሮድዮ እናበለ ክጽውዖ ይስማዕ እዩ። ዶክተርመድሃኔ፡ ኦሞሮድዮ ብሰንኪ ነድሪ ኣብ ከባቢ መሃንቱስ ዝርከብ ሰራውር ደም ዝፍጠር ኣብ እዋን ደገ ምውጻእ ቃንዛን መድመይቲ ዝፈጥር ከምዝኾነ ብምጥቃስ “ናብ ሓኪም ከይቀረብና ኦሞሮድዮ ድዩ ፌስቱላ ክንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና” ይብል። ልዕሊ 70 ሚኢታዊት ጠንቂ ፌስቱላ መሃንቱስ፡ ኣብ ከባቢ መሃንቱስ ዝፍጠር ነድሪ ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ “መሃንቱስ ብተረርቲ ብዙሓትት ጽክታታን ዝቖመ’ዩ፡ እዞም ጽክታት እዚኦም ነዝዒ ብምፍጣር ቀልቀል ብቀሊሉ ንደገ ንክወጽእ ዝሕግዙ’ዮም” ኢሉ። እዞም ጽክታት እዚኦም ምስ ዝዕበሱ ግን እቲ ነዝዒ ዝወጽኣሉ ሻንብቆታት፡ ረኽሲ ስለዝገብር ኣብ ከባቢ መሃንቱስ ዝርከብ ስብሒ፡ ጭዋዳታትን ቆርበትን ኣነዲሩ፡ መግሊ ከምዝእክብ’ዩ ዝገልጽ። ብሰንኪ እዚ “ምስ ቀልቀል ብዙሓት ባክተርያታት ስለዝወጽኡ ናብቲ ዝነደረ ኣካለት ንምልጋብ ነቲ ረኽሲ የጋድድዎን ናቶም ከናለ ይፈጥሩን”። ከም ካልኣይ ጠንቂ ሕማም ፌስቱላ መሃንቱስ ኸኣ ኣብ ዓባይ ስዓል ናይ መዓናጡ ኣብ ዘለዎም ሰባት ከምዝርአ ዶክተር መድሃኔ ይገልጽ። ዶክተርመድሃኔ ንምልክታት ሕማም ፌስቱላ መሃንቱስ ኣመልኪቱ እቲ ቀንዲ ምልክት ኣብ ከባቢ መሃንቱስ ንቡር ዘይኮነ ኣፍ ዘውጽአ ሕበጥ ወይ ቁስሊ ከምዝኾነ’ዩ ዝገልጽ። እቲ ቁስሊ “ጨና ዘለዎ ዘይንቡር ደምን ምግልን ዘለዎ ፈሳሲ ከውጽእ ይጅምር፡ እቲ ፈሳሲ ካብ ገፊሕ መዓንጣ ብቀጥታ ዝመጽእ ስለዝኾነ ኣብ ከባኢ እቲ ኣፍ ናይታ ቁስሊ ሰሓ፡ ነድርን ቃንዛን ክፈጥር ይኽእል”። ገለ ሕበጣት ሓደ ኣፍ ወይ ካናለ ዘለዎ ምስ ዝኸውን ቀሊል 'simple' ተባሂሉ ከምዝጽዋዕን ዝተፈላለየ ጨናፍር ዘለዎ ምስ ዝኸውን ግን ሕልኽልኽ ዝበለ 'complex' ተባሂሉ ከምዝጽዋዕ ዶክተር መድሃኔ ይገልጽ። ገለገለ ዓይነታት ፌስቱላ ደቂ ተባዕትዮ ብደገ ኣብ ከባቢ መሃንቱስ ኣፍ ዘለዎም ኮይኖም ገለ ኸኣ ኣብ ውሽጢ መሃንቱስ ዝፍጠሩ እዮም። ሓካይም ነቶም ኣብ ውሽጡ ዝፍጠሩ ዓይነታት ፊስቱላ፡ ኣኖስኮፒ ብዝብሃል ኣገባብ ኣብ ውሽጢ መሃንቱስ ብዝኣቱ መሳርሒ ገይሮም ክሳብ ቀልቀል ዝዕቖረሉ ዳንዱር ብምርኣይ ክፈልጥዎ ይኽእሉ። ካብዚ ብተወሳኺ ናይ ኣልትራሳውንድ ወይ ኤምኣርኣይ መርመራ ብምክያድ’ውን እቲ ሱር ናይ ፌስቱላ ክፍለጥ ይክኣል’ዩ። ዶክተር መድሃኔ ሕማም ፌስቱላ ክፍወስ ከምዝኽእል ብምግላጽ እቲ ኣገባብ ኣፈዋውስኡ ከከም ክብደቱ ከምዝፈላለ’ዩ ዝሕብር። “ንኣብነት ኮምፕሌክስ ዝበልናዮም ዓይነት ፌስቱላ ምስ ዝኾኑ ኣገባብ ኣፈዋውስኡ ክብድ ዝበለ ይኸውን” መብዘሕትኡግዜ ሕማም ፌስቱላ ደቂ ተባዕተዮ ብመጥባሕቲ እዩ ዝሕከም። እቲ ኣገባብ መጥባሕቲ ግን ንቀለቤታዊ ጭዋዳታት መሃንቱስ ከይትንከፍ ብጥንቃቐ እዩ ዝግበር። ቀሌቤታዊ ጭዋዳታት መሃንቱስ ምስ ዝትንከፍ እቲ ግዳይ ቀልቀሉ ክቆጻጸሮ ኣይክእልን እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ሕማም ፌስቱላ ኣዝዩ ዓሚቑ ምስ ዝኸውን፡ እቲ ሕሙም ድሕሪ መጥባሕቲ ንኣስታት 6 ሳምንታት ዝጸንሕ መውጽኢ ቀልቀል ክግጠመሉ ይኽእል እዩ።","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cjq94egne0go"} {"headline":"ኮቪድ 19፡ መንግስቲ ኣመሪካ ንዝተኸተቡ ፍሉይ ፓስፖርት ይውሃቦም ንዝብል ሓሳብ ነጺግዎ","content":"መንግስቲ ኣመሪካ፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝወሰዱ ሓዲሽ ዓይነት ፓስፖርት ክውሃቦም ንዝብል ሓሳብ 'መሰልን ብሕትውናን' ሰባት ዝግህስ እዩ ብምባል ነጺግዎ። ብደረጃ ዓለም ዝተኸተቡ ሰባት ፍሉይ ዓይነት ፓስፖርት ክውሃቦም ምግባር ኣብ ምቁጽጻር እቲ ሕማም እጃም ክህልዎ ይኽእል እዩ ዝብል ሓሳብት ብተደጋጋሚ ይልዓል እኳ እንተሃለወ፡ ገለ ነዚ ሓሳብ እዚ ብዓይኒ ነቐፌታ ዝጥምትዎ ግን ኣብ ሞንጎ ሰባት ምፍልላይ ዝፈጥርን መሰል ብሕትውና ናይ ሰባት ዝግህስን እዩ ኢሎም እዮም ዝገልጽዎ። ኣመሪካ ብወገና፡ ነቲ ዝተኸተቡ ሰባት ከምዝተኸተቡ ዝሕበር ፍሉይ ዓይነት ፓስፖርት ይውሃቦም ዝብል ሓሳብ ከምዘትድግፎ ብምግላጽ \"ኣመሪካውያን ምስክር ወረቐት ሒዞም ክጉዓዙ ዝብል ሓሳብ ኣይንድግፎን ኢና\" ኢላ። ብመሰረት ካብ ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ኣብ ኣመሪካ ኣስታት 31 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ ልዕሊ 550 ሽሕ ሰባት ከኣ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ሞይቶም ኣለዉ። በዚ መሰረት ኣመሪካ ብቁጽሪ ሞትን መልከፍትን ካብ ሃገራት ዓለም ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ትርከብ። ፕረስ ሰክረታሪ ዋይት ሃውስ ጀን ፕሳክ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ \"ብደረጃ ኣመሪካ ዝርዝር ዝተኸተቡ ዝዕቀበሉ ሰነድ ከምዘይህሉን፡ ኣመሪካ ዝተኸተቡ መረጋገጺ ወረቐት ክሕዙ ከምዘይተገድድን ክሕብር ይፈቱ\" ኢላ። ንሳ ብምስዓብ \"መንግስቲ ሕጂ ይኹን ኣብ መጻኢ፡ ሰባት ከምዝተኸተቡ መረጋገጺ ቀረቐት ክሕዙ ዝብል ሓሳባት ኣይቕበሎን'ዩ ኣይከተግብሮን'ውን እዩ፡ መርገጺ መንግስቲ ንጹር እዩ፡ መሰልን ብሕትውናን ዜጋታት ከምዝሕሎ ምርግጋጽ'ዩ\" ኢላ። ብዙሓት ሃገራት ንዝተኸተቡ ፍሉይ 'ፓስፖርት ክታበት' ኢለን ዝሰመየኦ ምስክር ቀረቐት ክህባን እዚ ዘለዎም ሰባት ክተኣኻኸቡ ከፍቅዳን እየን ዝሕልና ዘለዋ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ከምዚ ዓይነት ፓስፖርት ንኽተኣታቶ ኣብ መስርሕ እዩ ዘሎ፡ ፓስፖርት ክታበት ዘለዎም ሳባት ኸኣ ናብ ብዙሕ ሰብ ዝእከቦ ሙዚቃዊ ምርኢት ክኸዱ፡ ጸወታታት ኵዕሶ እግሪ ክዕዘቡ ክኽእሉ እዮም። እቲ ፓስፖርት ሰባት ከምዝተኸተቡ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ተመርሚሮም ኮሮናቫይረስ ከምዘይብሎም ዝተረጋገጸ ወይ'ውን ብኮቪድ ተለኺፎም ነይሮም ዝሓወዩ ምዃኖም ዝሕብር ጸሑፍ ክሰፍሮ እዩ። ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት'ውን ብተመሳሳሊ ንዝተኸተቡ ምስክር ወረቐት ክውሃቦም ዝብል ሓሳብ ይመያየጣሉ ኣለዋ። እስራኤል ብወገና፡ 'ግሪን ፓስ' ዝሰመየቶ ፓስፖርት ንዝተኸተቡን ሓሚሞም ነይሮም ዝሓወዩን ክትህብ ጀሚራ እያ። ኣብ እስራኤል ግሪን ፓስ ዝሓዙ ሰባት ናብ ሆቴላት፡ ናብ እንዳ 'ጂምን' ኣብያተ ትያትርን ክኸዱ ይፍቐዶም እዩ። ውድብ ጥዕና ዓለም ብወገኑ፡ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንዝተኸተቡ ምስክር ወረቀት ወይ ፍሉይ ፓስፖርት ይውሃቦም ንዝብል ሓሳብ ምፍልላይ ክፈጥር'ዩ ብምባል ከምዘይድግፎ ገሊጹ'ሎ።","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56658910"} {"headline":"ሰብኣዊ ቅልውላዉ ትግራይ፡ ሓካይም ከይተረፉ መግቢ ክልምኑ ጀሚሮም ኣለዉ ተባሂሉ","content":"ኣብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝዓበየን ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብን ሆስፒታል ዓይደር ዝሰርሑ ሓካይምን ተሓጋገዝቲ ሓካይምን (ነርሳት)፡ ዝበልዕዎ መግቢ ንምርካብ ክልምኑ ከምዝጀመሩ ሓደ ካብኦም ንቢቢሲ ተዛሪቡ። እቶም ሓካይም ን8 ኣዋርሕ ደሞዞም ከም ዘይተኸፍሉ ብምጽንሖም፡ ስድራቤቶም ንምድጋፍ ካልእ ኣማራጺታት ከናድዩ ከም ዝተገደዱ እቲ ሓኪም ሓቢሩ። ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ቁጽሪ ናይቶም ከቢድ ጥምየት ዘጋጠሞም ሰባት ይውስኽ ከም ዘሎ ገሊጹ። እቲ ጸብጻብ ከምዝብሎ፡ 2.2 ሚልዮን ሰባት \"ብሰንኪ ሕሉፍ ጥምየት ይሳቐዩ ኣለዉ\"። ብመሰረት'ቲ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ((WFP) ዘካየዶ ዳህሳስ፡ ኣብቲ ክልል ፍርቂ ነፍሰ-ጾራትን ዘጥብዋ ኣዴታትን እኹል መግቢ ብዘይምርካበን ይሳቐያ ከም ዘለዋ ኣረጋጊጹ። በቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐን ዝቕጽል ዘሎን ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን 9 ሚልዮን ሰባት ናይ መግቢ ሓገዝ ከም ዘድልዮም እቲ ትካል ገሊጹ'ሎ። እቲ ንኣስታት 15 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ሰፊሕ ምፍንቓልን ምግሃስ መሰላትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ምስዓቡ ይፍለጥ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብቲ ግጭት ከም ዝተቐትሉ ይግለጽ። ብፍላይ ክልል ትግራይ ንዝበዝሐ እዋን ተኸርዲና ብምጽንሓ፡ ቀረባት ሕክምናን መግቢን ንምብጻሕ ኣጸጋሚ ኮይኑ'ዩ ጸኒሑ። ኣብታ ክልል ኣገልግሎት ባንክ ተዓጽዩ ብምህላዉ፡ ሰባት ዘለዎም ገንዘብ ከይተረፈ ክጥቀምሉ ኣብ ዘይክእሉሉ ኩነታት'ዮም ወዲቖም። ሓካይምን ነርሳትን'ውን ኣካል ናይቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኮይኖም ይርከቡ። ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ዝሰርሕ ሓኪም ካብ መቐለ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መሳርሕቱ ዝኾኑ ሓካይምን ነርሳትን ናይ ሓገዝ መግቢ ንምርካብ ተሰሪዖም ምርኣይ ኣብዚ ዝሓለፈ ሸውዓተ ኣዋርሕ ልሙድ ኮይኑ'ሎ ኢሉ። ስኣን መግቢ ዝሞተ ህጻን ሓካይም ናይቲ ሆስፒታል ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ ደሞዝ ኣይተዋህቦምን። \"ዝበዝሑ መዓልታዊ ዝምገብዎ ኣጉዲለሞ ኣለዉ። ዋጋታት ስለዝዓረገ ነዳዲ፡ ኣሕምልቲን እኽልን ክትሽምት ዘይሕሰብ'ዩ። ገሊኦም [ሓካይምን ነርሳትን] መግቢ ክልምኑ ጀሚሮም ኣለዉ\" ይብል እቲ ዶክተር። ስእነት ቀረብ ሕክምና ኣብቲ ዝህብዎ ኣገልግሎት ዘስዓቦ ጽልዋ ኣመልኪቱ'ውን ተዛሪቡ። ብሰንኪ ስእነት መጀነኒ ('ጎዝ')፡ ካብ ህዝቢ ዝተረኽበ ቅዳድ ጋቢ ክጥቀሙ ተገዲዶም ኣለዉ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ኩነታቱ ጸብጻብ ዝተሰርሓሉ ህጻን ሱራፌል መዓርግ፡ ካብ ሆስፒታል ድሕሪ ምውጽኡ ከም ዝሞተ እቲ ሓኪም ንቢቢሲ ሓቢሩ። እቲ ብዓጸቦ ዝተጠቕዐ ህጻን፡ ክብደት ወሲኹ ተማሓይሹ ተባሂሉ ናብ ገዝኡ'ኳ እንተ ተፋነወ፡ ብሰንኪ ስእነት መግቢ ብ13 ጥሪ 2022 ከም ዝሞተ ጠቒሱ። ኣብታ ክልል ኩሉ መስመራት ርክብ ተዓጽዩ ብምህላዉ፡ ቢቢሲ ነቲ ዝተባህለ ሓበሬታ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይክኣለን። ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ናብ መቐለ በረራታት ብምጅማር፡ ቀረባት ሕክምናን መግብን ከብጽሕ ምኽኣሉ ነቲ ቅልውላዉ ኣብ ምቅላል ዓቢ ተስፋ ፈጢሩ'ሎ። እቲ በረራታት ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስከረም ጀሚሩ ንፈለማ እዋን'ዩ ተኻይዱ ዘሎ። ካብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ድማ፡ መግቢ ዝጸዓና ቃፍላይ መካይን ሕቡራት ሃገራት ናብታ ክልል ከም ዘይኣተዋ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ይሕብር። ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምዕጋስ፡ ብውሕዱ 337 ሚልዮን ዶላር ሓቲቱ'ሎ። ኣንጻር ሰራዊት ፈደራል ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሓምለ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ሰፊሕ ከባቢታት ድሕሪ ምቁጽጻሮም እቲ ቅልውላዉ ክሰፍሕ ተገዲዱ። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2021 ግን፡ ሓይልታት ትግራይ ካብቶም ዝተቖጻጸርዎም ከባቢታት ጎረባብቲ ክልላት ከምዝወጹ ኣፍሊጦም። ሰራዊት ፈደራል'ውን ናብ ክልል ትግራይ ከምዘይኣቱ ትእዛዝ ከምዝተዋህቦ ኣፍሊጡ። እንተኾነ ግን ኣብ መዋስንቲ እተን ክልላት ሓሓሊፉ ግጭት ክረአ ከምዝጸንሐ ጸብጻባት ይገልጹ። ቅድሚ ሒደት መዓልትታት'ውን ሓይልታት ህወሓት ምስ ትግራይ ዝዋስኑ ሰለስተ ወረዳታት ክልል ዓፋር ምቁጽጻሮም ሰብመዚ እቲ ክልል ቢቢሲ ሓቢሮም ነይሮም። ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም ካብ ሓይልታት ዓፋር ክመጾም ንዝጸንሐ መጥቃዕቲ ክከላኸሉ ምጽንሖም ብምግላጽ ብሰኑይ 'ተሪር ወተሃደራዊ ስጉምቲ' ምውሳዶም ተኣሚኖም። ነቲ ኲናት ንምፍታሕ ንነዊሕ እዋን ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ጭቡጥ ፍረ'ኳ እንተ ዘይተረኽቦ፡ ናይ ተስፋ ጭላንጭል ክረአ ጀሚሩ'ሎ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ መራሕቲ ህወሓት ዝነበሩ ፖለቲከኛታት ምፍትሑን፡ ን6 ኣዋርሕ ክጸንሕ ዝተባህለ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ምልዓሉን ተስፋ ሂቡ'ሎ። መንግስቲ ምስ ሓይልታት ህወሓት ክዛተ ከምዝደሊ ዝገልጹ ጸብጻባት ምውጽኦም'ውን ነቲ ተስፋ ኣዳሚቕዎ ኣሎ። ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ካልኦት ሰበስልጣን መንግስትን ውጽኢታዊ ዘተ ምክያዱ ኣፈኛ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኔድ ፕራይስ ሓቢሩ'ሎ።","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60175891"} {"headline":"ኣሕምልቲ ምምጋብ በይኑ ተቓላዕነት ሕማም ልቢ ኣይንክን'፡ መጽናዕቲ","content":"ኣሕምልቲ ምምጋብ ንጥዕና ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ እንተኾነ ኣብዚሕካ ምምጋብ ሓደጋታት ሕማም ልብን ስትሮክን ናይ ምክልኻል ተኽእሎ ከም ዘይብሉ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝተኻየደ ዓብዪ መጽናዕቲ ሓቢሩ። ተመራመርቲ ከም ዝሕብርዎ ካልኦት እንበልዖም ነገራት፣ እንበልዖ መጠን፣ ኣካላዊ ምንቅስቓስን ኣበይን ከመይን ከምእንነብርን ዝያዳ ወሰንቲ እዮም፡፡ ብሓፈሻ ተመጣጣኒ መግቢ ምምጋብ ንመንሽሮን ዝተፈላለዩ ሕማማትን ዘለና ተቓላዕነት ይቕንሶ እዩ ኢሎም፡፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓዲ ኢንግሊዝ ሓዊሱ ኣማኸርቲ ጥዕና ድማ ኣብ መዓልቲ ብውሑድ ሓሙሽተ ምቃል ፍራፍረ ክንበልዕ ከም ዘለና ይመኽሩ፡፡ እቲ ብዩኒቨርሲቲታት ኦክስፎርድ፣ ብሪስቶልን ሆንግ ኮንግን ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣስታት 400 ሽሕ ሰባት ዘሳተፈ ኮይኑ፡ መዓልታዊ ዝምገብዎን መጠን ዝበሰለን ዘይበሰለን ኣሕምልትን ዝምልከቱ ሕቶታት ክምልሱ ተገይሩ፡፡ እቶም ተሳተፍቲ ብማእከላይ መዓልታዊ ክልተ ማንካ ዘይበሰለን ሰለስተ ማንካ ዝበሰለን ብሓፈሻ ሓሙሽተ ከም ዝምገቡ ተዛሪቦም፡፡ ንዝቕጽሉ 12 ዓመታት ድማ ብሓፈሻ ጥዕነኦምን ከምኡ እውን ናብ ሆስፒታል ዝወስድን ንሞት ዘቃልዕን ጸገማት ልብን ዝምልከት መጽናዕቲ ተገይሩሎም፡፡ ዝያዳ ፋይበር ዘለዎም መግቢታት ዋላ'ኳ ብፍላይ እቶም ብዙሕ ዘይበሰለ ኣሕምልቲ ዝምገቡ ሰባት ምስቶም ውሑድ ዝምገቡ እንትነጻጸር ንሕማም ልቢ ዘለዎም ተቓላዕነት ብ 15 ምኢታዊት እንተቐነሰ፡ እዚ ግና ብካልኦት ባእታታት ክግለጽ ከም ዝኽእል እቶም ተመራመርቲ ይገልጹ፡፡ እዚ ድማ ኣገባብ መነባብሮ ዘጠቓልል እዩ፤ ሽጋራ ምትካኽ፣ እንሰትዮ መጠን ኣልኮል፣ እንዓዮ ዓይነት ስራሕ፣ ኣታዊናን ሓፈሻዊ ኣመጋግባንን ይሓውስ፡፡ ስለዚ ንሕማማት ልብን ዝውውርን ዝምልከት ‘‘እንምገቦም ኣሕምልቲ ዘለዎም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ’’ ዘመላኽት ውጽኢት ኣይረኸብናን ኢሎም። ከም ፕሮፌሰር ናቪድ ሳታር ዝበሉ ምሁራት ግና ከም አሕምልቲ ዝኣመሰሉ ብዙሕ ፋይበር ዘለዎም ምግቢታት ምምጋብ ‘‘ክብደት ንምቕናስን መጠን ናይቶም ንሕማም ልቢ ዘቃልዑ ባእታታት ኣብ ምምሕያሽን ክሕግዙ ይክእሉ እዮም’’ ይብሉ፡፡ ንሱ ከም ዝገልጾ መደምደምታ እቲ ሓድሽ መጽናዕቲ እኳ ከካትዕ ዝኽእል እንተኾነ ነቲ ሰባት ኣብ መዓልቲ ብውሑድ ሓሙሽተ ምቃል ፍራፍረ ክበልዑ ኣለዎም ዝብል ምኽሪ ግን ክልውጦ ኣይግባእን ኢሉ፡፡ ካልኦት ተመራመርቲ ድማ ንነዊሕ እዋን እንምግቦ ዓይነትን መጠንን ምግብን ንሕማም ዘለና ተቓላዕነትን ዝምልከት ዝተኻየዱ መጽናዕቲታት ጉድለት ዘለዎም ከም ዝኾኑ ይገልጹ፡፡ ብመሰረት እቲ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ ብዙሕ ዘይበሰለ ኣሕምልቲ ዝተመገቡ ሰባት ንሕማም ልቢ ዘለዎም ተቓላዕነት ቀኒሶም እዮም፤ ምኽንያቱ ምብሳል ኣሕምልቲ ከም ቫይታሚን ሲ ዝበሉ ጠቐምቲ ቫይታሚናት ክጠፍኡ ስለ ዝገብር፡፡ ምግቢ ንምብሳል እንጥቀመሎም ዘይቲታትን ስብሕን እውን ሕማም ልቢ ከስዕቡ ዝኽእሉ ከም ሶድየምን ስብሕን ዝበሉ ባእታታት ኣብ ሰብነትና ክውስኽ ይገብሩ እዮም፡፡","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60474442"} {"headline":"ድያሊስስ እንታይ’ዩ - ብኸመይከ ይካየድ?","content":"ዶክተር ዳናይት ፍስሃየ፡ ብ2019 ካብ ‘ኮሌጅ መዲስን ኤንድ ደንታል መዲስን’ ኣስመራ ብዓውዲ ሕክምና ተመሪቓ ንሰለስተ ዓመታት ኣብ ጋሽ ባርካ ከተማ ባረንቱ፡ ንሽዱሽተ ወርሒ ከኣ ኣብ ሓሊበት ከም ሓኪም  ሰሪሓ። ሕጂ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ትነብር ዘላ ዶክተር ዳናይት፡ ምስ ክልተ ተመሳሳሊ ሞያ ዘለወን ብጾታ ‘ክለብ ሃውስ’ ዝተሰመየ መራኸቢ ሜድያ ብምፍጣር ንሕብረተሰብ የገድሱ እዮም ዝበሃሉ ጥዕናዊ ኣስተምህሮታት ትህብ ኣላ። ቢቢሲ ምስ ዶክተር ዳናይት ብዛዕባ ሕማም ኵሊትን ጠንቅታቱን፡ ንመስርሕ ምጽራይ ደም ሰብነት (ድያሊስስ)ን ምስኡ ዝተሓሐዝ ጕዳያትን ቃለ መጠይቕ ኣካይዱ ኣሎ - ሰናይ ንባብ። ቢበሲ፡ ሓደ ሰብ ብኸመይ እዩ ሕማም ኵሉት ዘማዕብል? ዶክተር ዳናይት፡ ኵሊትና ብዙሕ ስራሕ’ዩ ዘለወን፣ ሓደ ካብቲ ኣገዳሲ ኸኣ ኣብ ኣካላትና ዝርከቡ መርዛማት ነገራት ብኵሊትና እዮም ዝጻረዩ፤ ብሽንቲ ከኣ ንግዳም ይወጽኡ። ብዘይካ'ዚ ኣብ ደምና ንዘጋጥም ኣሲዶስ ‘acidosis’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ሰብነትና ዝተመጣጠነ ኣሲድ ጥራይ ንኽህሉ ዘመዓራርያ ኵላሊትና እየን። ኣብ ደምና እዅልን ምጡንን ማይ፡ ጨውን ማዕድናትን ንኽህሉ ከኣ ይሰርሓ። ንጸቕጢ ደምና ዝቈጻጸር ሆርሞናት ብኵሊት እዩ ዝከናወን። መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ድኽመት ናይ ኵሊትና ዋሕደ ደም ከም ምልክት ይረአ። እዚ ከኣ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኵሊት ዝስራሕ ዋሕዲ ሆርሞናት ዝስዕብ እዩ። ስለዚ ሓደ ሰብ ድኽመት ኵሊት ኣለዎን የብሉን ክንፈልጥ እንተዄንና በቲ ምልክታት ኢና ንብገስ። ምጕዳል መጠን ሽንቲ ማይ፡ ሕበጥ ኣብ እግሪ፡ ዓካር ዓካሪትና ኣብ ገጽናን፡ ክቱር ድኻምን ሕጽረት ምስትንፋስን፡ ቀጻሊ ዕግርግርን ተምላስን፡ ሃለዋት ምጥፋእን ቃንዛ ኣብ ኣፍ ልቢ እንተርኢና ክንጥርጥር ንኽእል ኢና። ብድሕሪ እዚ ኣብ ሕክምና ብመሳርሒታትን መርመራታትን ተመርኵስካ ኵነታት ኵሊት ክፍለጥ ይክኣል። ቢበሲ፡ ጠንቂ ሕማም ኵሊት እንታይ እዩ? ዶክተር ዳናይት፡ ምድካም ኵሊት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ክልተ’ዩ ዝምቀል። እቲ ሓደ፡ ኵሊት ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ወይ መዓልታት ብሃንደበት ክትዳኸም እንከላን ቀስ ኢሉ ዝመጽእ ምድኻም ኵሊት ኢልና ክንከፋፍሎ ንኽእል። ኣብዚ ተመርኲሱ ከኣ እቲ ጠንቂ ይፈላለ። ኵሊት ብቕልጡፍ ኣብ እትዳኸሙሉ እዚ ‘autoimmune disease’ ዝበሃልን ከም በዓል ኣይቢ-ብርፎን ዝኣመሰሉ ናይ ቃንዛ ከኒናታት  ብብዝሒ ንወስድ እንተዄንናን ሻምብቈ ሽንቲ ብዝዀነ ምኽንያት እንተተዓጽዩ፡ ከም ሕማም ልቢ ንዝኣመሰለ ንቕልጡፍ ምድኻም ኵሊት ከቃልዓና ይኽእል እዩ። እቲ ቀስ እናበለ ንኵሊት ዘዳኽም ሕዱር ሕማም ከኣ ብጽቡቕ ዘይተኸናኸንናዮ ሕማም ሽኮርን ልዑል ጸቕጢ ደምን እቶም ቀንዲ ጠንቅታት እዮም። ብዘይካ'ዚ ከም polycystic kidney (ኣብ ውሽጢ ኵሊትና ማይ ዝመልአ ጥረ ዘስዕብ ሕማም) እቲ ማይ ክበዝሕ እንከሎን ብሰንኪ ረኽሲ ዘጋጥም glomerulonephritis ዝተበሃለ ሕማምን ንሕዱር ሕማም ኵሊት ከም ጠንቂ ክግለጽ ይክኣል። ቢበሲ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ከምዚ ደረጃ እንከሎ ከፍወስ ይኽእል’ዶ? ዶክተር ዳናይት፡ ሕማም ወይ ድኽመት ኵሊት እንተኣጋጢሙና ብፍላይ ንዅነታት ኵሊት እንፈልጠሉ Glomerular Filtration Rate (GFR) ዝበሃል ኣሎ፡ ኣብዚ እቲ ዓቐን ትሕቲ 15 እንተዀይኑ ኵሊት ናብ ንቡር ክትምለስ ከቢድ እዩ። ቅድሚ ናብዚ ደረጃ እዚ ምብጻሕካ ክትፈልጥ እንተዄንካ ኸኣ ክትምርመር ኣለካ። ንኣብነት ሽኮርያን ጸቕጢ ደምን እንተሃልዩና ናብ ሕማም ኵሊት ከቓልዓና ስለዝኽእል ብግቡእ ክንከታተሎ ኣለና። ኣመጋግባን ምንቅስቓስን ከነዘውትርን ብግቡእ እቲ ብሕክምና ዝጥለብ ከነማልእ ኣለና። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሕብረተስብና ዝረአ ነገር፡ መድሃኒት ምስ ተወሃበና ቅሩብ እንተተመሓይሽና ነቲ መድሃኒት ኣይንቕጽሎን ኢና። ክትገብሮ ዘለካን ዘይብልካን ምስቲ ዝከታተለካ ሓኪም ብምምኻር ኵነታትካ ክትፈልጥ ኣለካ። ሰብ እንተወሓደ ኣብ ዓመት ሓንሳብ ኵነታት ጥዕናኡ ክምርመር ኣለዎ። ከምኡ እንድሕር ገይርና መርመራ ኵሊት’ውን ስለዝግበረልና ዋላ ኵሊት እንተሓሚምና ኣብቲ ክትፍወሰሉ ትኽእል ደረጃ እንከላ ክንፈልጥ ንኽእል ኢና። ከም ወልፊ ሽጋራን መስተን እንተሃልዩና’ውን ከነወግዶ ኣለና። ዓቐኑ ዝሓለፈ ሚዛን ሰብነት ክህልወና የብሉን፡ ኣመጋግባና’ውን ዝተመጣጠነ ክኸውን ይግባእ። ቢበሲ፡ ሓደ ብሕማም ኵሊት ዝተጠቐዐ ሰብ ኣብ ምንታይ ደረጃ ምስ በጸሐ’ዩ ድያሊስስ ዘድልዮ? ዶክተር ዳናይት፡ ዋላ ዓቐን Glomerular Filtration Rate ትሕቲ 15 ይዅን፡ ናብ ድያሊስስ ዘብጽሕ ምልክታት እንተዘይተራእዩ መድሃኒተ እናወሰድና ክንጸንሕ ንኽእል ኢና። ቅልጡፍ መጕዳእቲ ኵሊት እንተኣጋጢሙና ግን ግድን ድያሊሲስ ክንጅምር ኣለና። ኣብዚ እቲ መጕዳእቲ ኵሊት ብሕዱር ሕማም ዝመጽአ እንተዘይኰይኑ ኵላሊት ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ናይ ምሕዋይ ተኽእሎ ኣለወን። እቲ ካልእ ድያሊስስ ክንጅምር ዘገድደና ኸኣ ‘uremic encephalopathy’ ዝበሃል ኣብ ሰብነትና ዝርከብ መርዛም ከሚካል ብኵሊት ተጻርዩ ብሽንቲ ክወጽእ እንተዘይክኢሉ ኣብ ደምና ይእከብ’ሞ ከም ምድንጋር፡ ምንፍርፋር፡ ሃለዋት ምጥፋእን ካልእን ከኸትለልና ይኽእል። ኵሊት ከም ሚነራላት፡ ኤሌትሮላይትስን ማዕድንን ዝኣመሰሉ ነገራት ኣብ ኣካላት ክንድቲ ዘድለየና መጠን ጥራይ ንኽህልዉ እያ ትሰርሕ። ሓደ ካብቶም ኤሌትሮላይትስ ፖታሽም ዝበሃል ማዕድን ኰይኑ፡ እንተትሒቱን እንተልዒሉን ኣብ ትርግታ ልቢ ጸቕጢ ይፈጥር እዩ። ኵሊት ነዚ ክትገብር እንዘይክኢላ ኸኣ ተቐላጢፍና ድያሊስስ ክንጅምር ንግደድ። ከምኡ’ውን መጠን ኣሲድ ኣብ ደምና እንተልዒሉ [ብሳይንሳዊ ኣጸዋውዓ Acidosis ይበሃል] ድያሊሲስ ክንጅምር ይእዘዘና። ካልእ ኣብ ሰብነትና ዝርከብ ዓቐን ማይ [hypervolemia] ካብ መጠን ንላዕሊ እንተዀይኑ፡ ኣብ ሳንቡእና፡ ልብናን ካልእ ክፋል ኣካላትናን ጸገማት ስለዘስዕበልና ድያሊስስ ክንጅምር ንግደድ። ብዘይተፈለጠ ምኽንያት ክብደት ሰብነትና እንተጐዲሉን ናብ ደረጃ ዓጸቦ እንተበጺሕናን ድያሊሲስ ምጅማር ከም ዘድለየን ዘርኢ ሓደ ምልክት እዩ። ቢበሲ፡ እቲ መስርሕ ድያሊሲስ ከመይ እዩ፤ ነቲ ሕሙም እንታይ እዩ ዝግበረሉ? ዶክተር ዳናይት፡ ድያሊስስ ብደገ ኰይና ንኵላሊት ተኪኣ ስርሐን እትዓምም ማሺን እያ። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ድያሊስስ ንድኽመት ኵሊት ኣይፍውስን’ዩ። ሓደ ሰብ ክፍወስ እንተዀይኑ ኵሊት ክትቅየረሉ [Transplant] ኣለዋ። ክልተ ዓይታት ድያሊስስ’ዩ ዘለና፡ ሄሞ-ድያሊሲስ [Haemodialysis] ከምኡ ከኣ ፐሪቶንያል-ደያሊስስ [peritoneal dialysis] ተባሂሎም ይጽውዑ። እዚ ሄሞ-ድያሊስስ  ኣብ ኵርናዕ ኢድና ካብ ዝርከብ ሰራውር ደም ምስታ ድያሊስስ ማሽን ብምርኻብ ዝግበር መስርሕ ምሕጻብ እዩ። ፐሪቶንያል-ደያሊሲስ ከኣ ካብ ሽፋን ውሽጢ ከብድና ካብ ዝርከብ ሰራውር ደም፡ ካብኡ ደም ተወሲዱ ዝካየድ መስርሕ እዩ። ኣብቲ ዝያዳ ንጸቕጠሉ ሄሞ-ድያሊስስ ምስ እንተኵር ኣብ ኵርናዕ ኢድና ኣብ ዝርከብ ሰራውር ደም መርፍእ ይኣቱ፣ በቲ መርፍእ ኣቢሉ ከኣ ናብታ ማሽን ይሓልፍ’ሞ በታ ማሽን [dialyzer machine] ተጻርዩ ናብ ኣካላትና ይምለስ። እዚ መስርሕ'ዚ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ ሰዓታት ክወስድ ይኽእል፣ ኣብ ሆስፒታል ድማ’ዩ ዝግበር። ሓደ ዲያሊስስ ዘድልዮ ሰብ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ክገብር ኣለዎ። ኣቐዲምካ ግን ነቲ ሰራውር ደም ኣጸቢቕካ ንኽትረኽቦ arteriovenous fistula ተባሂሉ ዝጽዋዕ ነቲ ሕሙም ንእሽተይ መጥባሕቲ ይካደሉ’ዩ። ኣብታ ማሽን ዝርከብ ባእታታት ከኣ ነቲ ሕሙም ከም ዕድሚኡን ከም ሚዛኑን እቲ ዘድሊ ዓቕን ተዋሂብዎ መስርሕ ምጽራይ ተኻይዱ እቲ ደም ተመሊሱ ናብ ኣካላት እቲ ሰብ ይኣቱ። ቢበሲ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብተደጋጊሚ ጸገማት ኵሊት ዘጋጠሞም ናይ ገንዘብ ሓገዝ ክሓቱ ይርኣዩ’ዮም፡ ድያሊስስ ንምግባር ክሳብ ክንደይ ወጻኢታት እዩ ዝሓትት? ዶክተር ዳናይት፡ ነታ ሓንቲ ምሕጻብ 100 ዶላር ኣቢሉ እዩ ዝውድእ። ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ምሕጻብ ደም ስለዘድሊ ከኣ ኣብ ወርሒ ክሳብ 1200 ዶላር ኣቢሉ ይበጽሕ። እዚ ከኣ ቀጻልን መወዳእታ ዘይብሉን እዩ። ሓንሳብ ወይ ሓደ ወርሒ ገይርካ ትሓውየሉ ኣይኰነን። ስለዚ ኣዝዩ ክቡር እዩ፣ ካብዚ ንምድሓን ብፍላይ እዞም ሕዱር ሕማም ዘለዎም ብዝያዳ ኣቐዲሞም ክጥንቀቝ ከምዘለዎም’ዩ ዝምከር። ቢበሲ፡ ሓደ ሰብ ዲያሊስስ ምስ ጀመረ ንኽንደይ ዓመት’ዩ ብህይወት ናይ ምንባር ዕድል ዘለዎ? ዶክተር ዳናይት፡ ሓደ ሰብ ኣብ ድያሊስስ ምስ በጽሓ ካብ 10 ክሳብ 20 ዓመታት ክጸንሕ ይኽእል እዩ። ግን እዚ ክንብል እንከለና ነዚ ዝጸልዎ ብዙሕ ረቛሒታት ኣሎ። ዕድመ ሓደ ረቋሒ’ዩ፡ ሓፈሻዊ ጥዕና’ውን ከምኡ፤ እቲ ቀንዲ ኸኣ ጠንቂ ናይቲ ሕማም ኵሊት ዘስዓበልካ ነገር እዩ። እቲ ካልእ ነገር ከኣ ድያሊሲስ ምስ ገበርካ እተን ኵላሊትካ ከመይ ይሰርሓ ኣለዋ’ውን ወሳኒ’ዩ። ቢበሲ፡ ድያሊስስ ዝገብር ሰብ እንታይ ዓይነት ፈሳሲ ወይ መግቢ እዩ ክወሰድ ዘለዎ? ዶክተር ዳናይት፡ ከምድላዩ ዝኾነ ነገር ክበልዕን ክሰትን ኣይክእልን እዩ። ነዊሕ ከይዘርዘርና መጠን ዝሰትዮ ማይ’ውን ክጎድል ኣለዎ። ንሓደ ጥዑይ ሰብ ኣብ መዓልቲ  ሸሞንተ ብኬሪ ማይ ስተ ኢና ንብሎ። ንሓደ ኣብ ድያሊስስ ዝርከብ ሰብ ግን እዚ ይበዝሖ’ዩ። እንተበዚሕዎ ኸኣ ካልእ ሳዕቤናት ከኸትለሉ ይኽእል እዩ። ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝፈላለ ኰይኑ ነቲ ናቱ ‘ሃይፐር ቮልምያ’ [ኣብ ሰብነትና ዝርከብ መጠን ፈሳሲ] እናርኣኻ እዩ ዝውሰን። ከም በዓል ብርጭቕ፡ ወይኒን ካልእን’ውን ከነውግዶ ኣለና። ምኽንያቱ እዚ ኣብ ውሽጡ ብዙሕ ማይ ስለዘለዎ ንኵሊትና ዝያዳ ክሃስያ ይኽእል እዩ። መግብና ጨው ዝውሓዶ ክኸውን ኣለዎ። ምኽንያቱ፡ ጨው ንጸቕጢ ደምና ከልዕለልና ይኽእል እዩ፡ ጸቕጢ ደምና እንተልዒሉ ኸኣ ብኵሊት እዩ ክመዓራረ ዝኽእል፡ ኵሊትና ነዚ ክገብራ ስለዘይክእላ ግን፡ ጸገምና እናበርተዐ ብምኻድ ናብ ዝኸፈአ ነገር ከቃልዓና ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ጥራይ እውን ኣይኰነን። ጨው ዝበዝሖ መግቢ እንተበሊዕና ማይ ስለእንጸምእ ብዙሕ ማይ ክንሰቲ ንግደድ። እዚ ከኣ ናቱ ጸገማት ስለዘለዎ ኣብ መግብና ኣዚና ጨው ከነጕድል ኣለና። ኣብ ሰብነትና ፖታሸም እንተልዒሉ ኣብ ትርግታ ልብና ጽልዋ ስለዝፈጥር፡ ነዚ ንምውጋድ ከም ኣቫካዶ፡ ባናና፡ ቸኮላታ፡ ጻባን ውጽኢት ጸባን ካልእ ልዑል ፓታሸም ዘለዎም መግብታትን ከነወግድ ኣለና። ጐድኒ ጐድኒ’ዚ እውን ከም ፉልን ጸላም ከብድን ዝኣመሰሉ ብዙሕ ፎስፈረስ ዘለዎም መግብታት’ውን ምውጋድ የድሊ። ብኣንጻሩ ብመስርሕ arteriovenous fistula ምሕጻብ ዝካየደሎም ሕሙማት እቲ መስርሕ ኣብ ነብስና ዝርከብ መጠን ፕሮቲን ስለዘጕድሎ፡ ነዚ ንምትካእ ከም ስጋ፡ ዓሳ፡ እንቋቝሖ፡ ደርሆን ካልእን ዝኣመሰለ ብዙሕ ፕሮቲን ዘለዎ መግብታት ከዘውትሩ ኣለዎም። ቢበሲ፡ ሓደ ሰብ ድያሊስስ ምስ ጀመረ ኵሊቱ ናብ ንቡር ናይ ምምላስ ዕድል ኣለዋ ድዩ? ዶክተር ዳናይት፡ ድያሊሲስ ንኵሊት ንምሕጋዝ እምበር ንኵሊት ንምሕዋይ ዝግበር መስርሕ ኣይኮነን። ስለዚ ሓደ ሰብ ክፍወስ እንተዀይኑ ኵሊት ክቕየረሉ ጥራይ እዩ ዘለዎ። ቢበሲ፡ ድያሊስስ ዝጀመረ ሰብ ሽንቲ ማይ ክሸይን ይኽእል’ዶ? ዶክተር ዳናይት፡  ኵሊት ደኺመን እምበር ጠቕሊለን ስለዘይተበላሸዋ፡ እቲ ንብቕዓት ኵሊት ንዕቅነሉ Glomerular Filtration Rate ዜሮ እንተዘይበጺሑ እቲ ሕሙም ክሸይን ይኽእል እዩ። እቲ ዓቐን ሽንቲ ግን ካብቲ ንቡር ክጎድል ይኽእል። ሓደ ሰብ ድያሊስስ እናተገበረሉ፡ እታ ኵሊት’ከ ኣበርክቶ ትገብር ኣላ’ዶ ዝብል ነገር ምርኣይ እውን ወሳኒ’ዩ። እቲ ትሕቲ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዝወረደ Glomerular Filtration Rate ዝበጽሖ ደረጃ እውን ነቲ ሽንቲ ክጸልዎ ይኽእል እዩ። ኣብ ድያሊስስ ዘሎ ሰብ፡ ኵሊቱ ዓቕማ ክዕቀብ ይኽእል’ዶ ኣይክእልን ብዙሕ ረቛሒታት ኣለዎ። ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ከብዶም [peritoneal dialysis] ን ኣብ ብርኪ ኢዶም [Haemodialysis] መስመር ድያሊስስ ዝግበረሎም ሰባት ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ እቲ ምኽንያቱ’ኳ እንተዘይተፈለጠ እቶም ኣብ ከብዶም ዝገብረሎም እዮም ዝበዝሐ ሽንቲ ዝሸኑ። ቢበሲ፡ ጸጸር ኵሊትከ ናብ ድያሊሲስ ከምርሓና ይኽእል ድዩ? ዶክተር ዳናይት፡ ኵሊት ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ትወድቐሉ Sub-Acute kidney failure ኢልና ዝጽዋዕ ኣሎ፡ ኣብ ከምዚ ከጋጥም ይኽእል እዩ። እንተዀነ እቲ ዓቕን ናይቲ ጸጸር ልዕሊ ዓቐን እንተዀይኑ እዩ፡ ብዘይካ እዚ እቲ ጸጸር ኣበየናይ ስርዓተ ሽንቲ እዩ ዓጊቱ ዘሎ’ውን ወሳኒ’ዩ። ኣብ መወዳእታ፡ ምልክት ድኻም ኵሊት ኣብ መጀመርታ ዋላ ሓንቲ ኣየርእን እዩ። ምስከፍአን ምስበኣሰን እዩ ምልክታት ከርኢ ዝጅምር። ስለዚ ኩላትና ሕዱር ሕማም እንተሃልዩና ብስሩዕ መርመራ ክንገብርን እቲ ናትና ሕማም ክንከናኸኖን ካብ ሕጂ ጀሚርና ኣመጋግባና ከነስተኻኽልን ክላቦ ይደሊ። ቢቢሲ፡ የቐንየልና ዶክተር ዳናይት","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4nwk2xvv90o"} {"headline":"እቲ ዝኸፍአ መንሽሮ ጡብ ንጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ የጥቅዕ","content":"ኣብ ኣሜሪካ ዝተገበረ መጽናዕቲ፡ እቲ ዝበርትዐ መንሽሮ ጡብ ንኣፍሪቃዊ መበቈል ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ከምዘጥቅዕ የመልክት። ውጽኢት እቲ መጽናዕቲ፡ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ሕክምናዊ ምርምራት ክሳተፋ፡ ተኽእሎታት ምድሓን ንምምሕያሽ ክሕግዝ ከም ዝኽእል ኣንፈት ዝህብ ምዃኑ ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ ገሊጾም። ኣብ ኒውዮርክ ትነብር ኣፍሪቃዊት ኣመሪካዊት ጓል 53 ዓመት ላቨርነ ፋውንትሮይ፡ “ቅድሚ ሕጂ ምስ መንሽሮ ጡብ ዝተሓሓዝ ዝዀነ ፍርሒ ኣይነበረንን” ትብል። ላቨርነ ኣዝዩ ምቹእ ዝዀነ ናብራ እያ ተሕልፍ፡ ብጥዕናኣ ስለትግደስ’ውን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ተዘውትር’ያ፡ ኣመጋግባኣ’ውን ኣዝዩ ጥንቁቕ’ዩ። እንተዀነ ኣብ ጥሪ፡ ገለ ምልክታት መንሽሮ ክርኣያ ጀሚሩ። “ሕክምና ምስ ከድኩ መንሽሮ ጡብ ከምዘለኒ ተነጊርኒ” ላቨርነ፡ “ኣነ ካብ ዝፈልጦም መንሽሮ ኣለኩም ዝተበሃሉ ሰባት መብዛሕትኦም ሞይቶም’ዮም፡ ካብዚ ብምብጋስ ኣዝየ ሰጊአን ፈሪሐን” ኢላ። ላቨርነ እቲ ብዙሕ ዘይርኣይን ቀልጢፉ ዘስፋሕፍሕን፡ ‘ትሪፕል ነጋቲቭ ብረስት ካንሰር [TNBC]’ ዝተበሃለ ዓይነት መንሽሮ ከምዘለዋ’ዩ ተነጊርዋ። በዚ ከምዚ ዓይነት መንሽሮ ጡብ ዝተታሕዛ ደቂ ኣንስትዮ፡ ዋላ ሕክምና ምስ ገበራ፡ እቲ ሕማም ተመሊሱ ስለዝመጽአን ናይ ምንባር ዕድለን ዝተሓተ’ዩ። እዚ ሕማም እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ትሕቲ 40 ዝዕድመአን ደቂ ኣንስትዮ ዝርአ ኰይኑ፡ እተን ዝበዝሓ በዚ ዓይነት መንሽሮ ዝጥቀዓ ኸኣ ጸለምቲ ከምዝዀና እቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ የረድእ። ብዘይካ'ዚ ካብተን በዚ ከምዚ ዓይነት መንሽሮ ዝተጠቕዓ ጸለምቲ ደቂኣንስትዮ ምስ ጸዓዱ ደቂ ኣንስትዮ ብምውድዳር ናይ ምማት ዕድለን ብ28 ሚእታዊት ከምዝዛይድ እቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ይገልጽ። ካብዚ ብምብጋስ እዚ TNBC ዝተበሃለ ዓይነት መንሽሮ ጡብ ዝያዳ ነተን ኣፍሪቃዊ መበቈል ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ከምዘጥቅዕን ከምዝቐትልን ክረጋገጽ ክኢሉ ኣሎ። ዶክተር ሊዛ ኒውማን ሓንቲ ካብቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ በዓልቲ ሞያ ኰይና፡ ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ንሕማም መንሽሮ ኣመልኪታ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ኣፍሪቃ መጽናዕትታት ከተካይድ ጸኒሓ። እቲ TNBC ዝተበሃለ ዓይነት መንሽሮ ጡን ኣብ ከም ጋና ዝኣመሰላ ሃገራት ምዕራብ ትሕተ ሳህራ ኣዝዩ ግኑን ምዃኑ ዶክተር ሊዛ ትገልጽ። እታ ዶክተር፡ እቲ ምኽንያት ምስ ግዜ ኣብ ወለዶታት ናይቲ ከባቢ ንኸም ዓሶ ዝኣመሰሉ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብቐሊሉ ከይጥቀዓ ዝኽእላሉ ነገር ኣማዕቢለን ክዀና ከምዝኽላ ግምታ ተቐምጥ። ዶክተር ሊዛ ኒውማን እዚ ዝተኻየደ ሓድሽ መጽናዕቲ ብዛዕባ TNBC ዝያዳ ንኽፍለጥ ሓጋዚ ምዃኑ’ያ ትገልጽ። “እዚ መጽናዕቲ እዚ TNBC ዝተበሃለ መንሽሮ ጡብ ምስ ዓሌትን ወለዶታትን ዘለዎ ምትእስሳር ክንርዳእ ኣኽኢሉና’ዩ” ነቲ መጽናዕቲ ኣብ ዝተፈላለየ ዓሌት ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ከምዘካየድዎ እትሕብር ዶክተር ሊዛ ኒውማን፡ “እተን ኣፍሪቃዊ መበቈል ዘለወን ኣሜሪካውያን ዝያዳ በዚ ሕማም ከምዝጥቅዓ ከነረጋግጽ ክኢልና ኣለና።” ዶክተር ሊዛ ኣስዒባ፡ “ካብ ኵሉ ዓሌታት መጽናዕቲ ከይገበርካ ናብ ከምዚ መደምደምታ ምብጻሕ ከምዘይክኣል ስለዝተረዳእና ኢና እቲ መጽናዕቲ ንዅለን ዓሌታት ከምዝሓቍፍ ክንገብሮ ክኢልና፡ ኣብዚ ዋላ ኣብ ገለ ሃገራት ዘሎ ትሑት ሕክምናዊ ኣገልግሎታት’ውን ኣብ ግምት ኣእቲናዮ ኢና” ዶክተር ሊዛ ትዕዝብታ ከተካፍል እንከላ፡ “ገለ ማእከላት ሕክምና ኣብ ቅድመ መርመራ ይዅን ኣብ እዋን ሕክምና ኣድልዎ ከምዘካይዳን፡ ንጸዓዱ ደቂ ኣንስትዮ ቀዳምነታት ከምዝህባ ክንስንድ ክኢልና ኣለና” ትብል። ላቨርነ ፋውንትሮይ፡ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከምዚ ዓይነት ሕክምናዊ መጽናዕትታት ክሳተፋ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምእማን ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ክትሳተፍ ከምዝወሰነት እያ ትገልጽ። ላቨርነ፡ “ኣነ ከምዝመስለኒ ኣብዛ ሃገር [ኣሜሪካ] ዘለና ታሪኽ፡ ኣብ ሕክምና ዝግበር ኣድልዎ ኣብ ከምዚ ዓይነት መጽናዕትታት ተጊህና ከይንሳተፍ እቲ ቀንዲ ዝዕንቅጸና ረቛሒ ኰይኑ ይስምዓኒ” ትብል። “መጻኢ ወለዶታተይ ዝሓሸ ንኽኸውን ብምሕላን’የ ኣብዚ መጽናዕቲ ክሳተፍ ወሲነ” ላቨርነ ተመኵሮኣ ከተካፍል እንከላ፡ “መርመራ ደም ተኻይዱለይ፡ ኣብ እዋን መጥባሕቲ ካብ ኣካላትካ ካብ ዝወጽእ ዘይጥቀመሉ ነገራትን ካብ ወሃዮታታን ቅምሶ ብምውሳድ’ዮም ነቲ መጽናዕቲ ዘካይድዎ” ትብል። ላቨርነ ኣብ ሓምለ ድሕሪ ዝተገበረላ መጥባሕቲ ካብ መንሽሮ ነጻ ኰይና’ያ። “ሕጂ ኵሉ ነገረይ ጽቡቕ’ዩ ዘሎ፡ መጽናዕቲ ክካየደለይ ፍቓደኛ ምንባረይ ኣዝየ ሕብንቲ’የ፣ ንዶክተር ሊዛ ኒውማን ንመጽናዕታ ስለዝሓገዝክዋ’ውን ሓበን ይስማዓኒ” ኸኣ ትብል። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ’ውን እተን ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ጸዓዱ ደቂ ኣንስትዮ ብምውድዳር ብመንሽሮ ጡብ ናይ ምጥቃዕ ዕድለን ዳርጋ ብዕጽፊ ከምዝዓቢ ዝተኻየደ መጽናዕቲ የረድእ። ወሃቢ ጥዕናዊ ኣገልግሎታት ዓዲ እንግሊዝ [ኤንኤችኤስ] ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝዀነ ዝካየድ መጽናዕትታት ክሳተፋ ከምዘለወን ዝሕብር መጸዋዕታ ብተደጋጋሚ የቕርብ’ዩ። ዶክተር ዶርጌተ ኦኒ፡ ከኢላ መጥባሕቲ መንሽሮ ጡብ እያ፤ ንሳ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝካየድ መጽናዕትታት ዋሕዲ ወከልቲ ኵሉ ዓሌታት ከምዘጋጥሞም’ያ ትገልጽ። “ሓደ ካብቲ ኣብ መጽናዕቲ ዘጋጥመኒ ጸገማት፡ ዋሕዲ ኣብ ፈተነ ዝሳተፉ ጸለምቲ’ዩ፡” ትብል። ዶክተር ዶርጌተ ኦኒ “ንዅሉ ዘርብሕ ውጽኢት ክርከብ እንተዀይኑ ብዙሕን ካብ ኵሉ ዓሌታትን ክሳተፋ ኣለዎ” ብምባል ኸኣ ምኽራ ትልግስ።","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ce726525ddyo"} {"headline":"‘ወይዛ እርጋነ. . .’ ፡ እርጋን ብኸመይ ነደንጕዮ?","content":"ዛዕባ እርጋን ክለዓል እንከሎ መቸም ብዙሓት ሰባት ዘተኵሩሉ፡ ኣእዛኖም ዝተኽሉሉን ኣርእስቲ ምዃኑ መጽናዕትታት የመልክቱ። ምስኡ ተተሓሒዙ ድማ ብዙሓት ሰባት እርጋን ክለግቦም ስለዘይደልዩ እዩ፡ ይበሃል'ዩ። ኣብ ሕብረተሰብና’ኳ፡ “ወይዛ እርጋንየ ወይዛ እርጋንየ፡ ባዕላ እያ ‘ምበር ኣነስ ኣይደለኽዋን’የ!” ተባሂሉ ተደሪፉሉ እዩ። እዚ ኸኣ ብሓፈሻ ሰባት ንህይወት፡ ብጸጋ ንእስነትን ጥዕናን ክነብሩዋ ካብ ዘለዎም ክቱር ቃሕታ ህይወት ዝነቅል ምዃኑ ኣየከራኽርን። እርጋን ግን መዓስ እዩ ዝጅምር? ወይ’ውን ሓደ ሰብ መዓስ እዩ ኣሪጕ ዝበሃል? እዚ ሕቶ ንምምላስ፡ ‘እርጋን መዓስ ይጅምር ኣብቲ እትነብረሉ ቦታ እዩ ዝምርኮስ ተባሂሉ ይግለጽ እዩ፤ ብገለ ሸነኹ’ውን ንእርጋን ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ ‘ውን ዝምርኰስ እዩ።’ ተባሂሉ ይዝረብ እዩ። እዚ ድማ ብኣወንታዊ ኣመለኻኽታ እርጋን ከነደንጕዮ ንኽእል ዶ? ዝብል ሕቶ’ውን ዘልዕል እዩ። ስለዚ፡ ኣየናይ ዕድመ እዩ ከም ማእከላይ ዕድመ ዝቝጸር? ካብ 40 - 60? ካብ 50 - 70? ወይስ ኣብ መንጐ ‘ዚታት ዘሎ ዕድመ? ሰባት ነዛ ሕቶ ዝህብዎ መልሲ፡ ኣብቲ ዝሕተትሉ እዋን ዘሎ ዕድመኦም ዝውስኖ ምዃኑ መቸም ዝገርም የብሉን። ኣብ 2018 ንፍርቂ ሚልዮን ሰባት ብኢንተርነት ዝቐረበ መጽናዕታዊ መሕተቲ ከም ዘመልክቶ፡ እቶም ኣብ 20ታትን 30ታትን ዝነበሩ ተሳተፍቲ'ቲ መጽናዕቲ፡ ብገምጋም፡ ማእከላይ ዕድመ ካብ 40 ዓመት’ዩ ዝጅምር ክብሉ እንከልው፣ እርጋን ድማ ካብ 62 ዓመት ከም ዝጅምር ገሊጾም። ብኣንጻሩ እቶም ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድመኦም ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ከም ዝኣረጉ ኣይሓስቡን፤ እርጋን ካብ 71 ዓመት ንደሓር ኣቢሉ ከም ዝጅምር እምነቶም ወይ ኣተሓሳስባኦም ገሊጾም። ካብዚ ውጽኢት’ዚ፡ ኣተሓሳስባ ሰባት ብመጠኑ ርዱእ እዩ። ብርግጽ ዳርጋ ኵሉ ሰብ ንነብሱ ከም ዕድመ ዝደፍአ ገይሩ ክሓስብ ኣይፈቱን እዩ። ስለዚ 40 ዓመት በጺሕካ፡ 40 እቲ ሓድሽ 30 ኢሎም ዝእውጁ ጽሑፋት ይጥዕሙኻ ይዀኑ። ብተመሳሳሊ ኣብ 70ታት ዝርከቡ ሰባት ኣገባባት ኣመጋግባን ክንክን ጥዕናን ዘሰጕሙ ሓሳባት እናተደገፉ ካብ ማእከላይ ዕድመ ዳርጋ ኣይወጽኡን። ከምኡ’ውን ዝዀነ ንጕጅለ ክሊ ዕድመና ኣመልኪቱ ዝቐርብ ኣሉታዊ ነገራት ካብ ነብስና ክንፈልዮ ንደሊ። ንኣብነት ኣረጋውያን ከም ድኹማት፡ ስቕ ዝበሉ፡ ዝሓመሙን ጾር ሕብረተሰብ ከይተረፈ ዝዀኑን ጌርካ ክቐርብ እንከሎ፡ ኣረጋውያን ዝብል ስያመ ንቃወም፣ ኣሪግካ ክንበሃል ኣይንደልን። ብርግጽ እርጋን ክውንነት ስለዝዀነ ኣረጋውያን ብኣኽብሮትን ክብርን ክተሓዙ የድሊ። ስለዚ ሰባት ንርእሶም ከም ኣረጋውያን ገይሮም ክቘጽሩ ዘይደልዩ እንተዀይኖም፡ ወይ እርጋን ክለግቦም ዘይደልዩ ሰባት እንተርኢና፡ ምናልባት፡ ርእሰ ምልኣት ከም ዝስምዓካ - ንእርጋን ብምንጻግ - ህይወት ምርካብ ዘኽእል ቅቡልን ርትዓውን ስትራተጂ ክኸውን ስለዝኽእል፡ ብኡ መንጽር’ውን ክርአ ኣለዎ - እርጋን ዘይምቕባላ! ኣብ 2003 ተመራመርቲ ሃና ኩፐርን ሰር ማይክል ማርሞትን ዝተባህሉ፡ ማሕበረ-ቍጠባዊ ኵነታት ኣብ ጥዕናን ዕድመን ሰባት ዝህልዎ ጽልዋ ዝመራመሩ ፍሉጣት ተመራመርቲ፡  እርጋን መዓስ እዩ ዝጅምር ኣብ ዝብል ዛዕባ ሰፊሕን ነዊሕን መጽናዕቲ ኣካይዶም እዮም። እቲ መልሲ ብርግጽ ዝተፈላለየ እዩ ኰይኑ። ኩፐርን ማርሞትን ዝረኸብዎ ውጽኢት፡ እቶም እርጋን ኣቐዲሙ እዩ ዝጅምር ኢሎም ዝኣምኑ፣ ወይ ንእርጋን ቀልጢፎም ኢዶም ዝህቡ ሰባት፡ ክሳብ ትሽዓተ ዓመት ምርምራዊ ምክትታትል ተገይሩሎም ውጽኢቶም ክርአ እንከሎ፡  ን​​ወቕዒ ልቢ ዝኣመሰለ ሕማማት ልቢ ክሳቐዩ ወይ ብሓፈሻ ኣብ ሕማቕ ኣካላዊ ጥዕና ናይ ምህላዎም ተኽእሎ ዝለዓለ ምዃኑ ውጽኢት መጽናዕቶም የረጋግጽ። እቶም ተሳተፍቲ ናይዚ ብ ዋይትሆል II ዝፍለጥ መጽናዕቲ፡ ኣብ ለንደን ዝሰርሑ ልዕሊ 10 ሽሕ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዝተኻየደ ነዊሕ መጽናዕቲ እዩ። እቲ መጽናዕቲ ጽዑቕ ኰይኑ፡ ተሳተፍቲ ብዙሕ ሕቶታት ቀሪብሎም። እዚ ማለት ኩፐርን ማርሞትን ካልኦት ረቛሒታት ማለት ከም ደረጃታት ስራሕ ኣብ ውጽኢት ጥዕና ዘለዎ ጽልዋ’ውን ንምርኣይ ዝዓለመ’ውን እዩ ነይሩ። ስለዚ ከመይ ጌሩ እዩ እቲ እርጋን ዝጅምረሉ እዩ ኢልካ እትጽውዖ ቍጽሪ\/ዕድመ ኣብ ጥዕናኻ ዓቢይ ጽልዋ ክህልዎ ዝኽእል? መልሲ ናይቲ እርጋን መዓስ ይጅምር ዝብል ቀሊል ሕቶ፡ ካብቲ እትሓስቦ ንላዕሊ ብዛዕባ ሓደ ሰብ ኣዝዩ ዝበዝሕ ሓበሬታ ይህብ። ንኣብነት፡ እቲ ሕቶ ሰባት ብዛዕባ ኣካላዊ ጥዕና  ገዛእ ርእሶም ክሓስቡ ዝድርኾም ክኸውን ይኽእል እዩ፣ መሰረታዊ ናይ ጥዕና ጉዳያት ወይ ድኹም ኣነባብራ እንተሃልይዎም ድማ፡ ክንድኡ ጽቡቕ ስምዒት ከይስምዖምን እርጋን ቀልጢፉ ይመጽእ ከምዘሎ ክሓስቡን ይድርኾም ይኸውን። እርጋን ኣብ ንኡስ ዕድመ ከም ዝጅምር ዝዛረቡ ሰባት እውን፡ ምንቍልቋል ጥዕና ዘይተርፍ ምዃኑ ስለዝኣምኑ፡ ኣብ ጥዕናዊ ኵነታቶም ዘይግደሱን ንሓገዛት ዕሽሽ ክብሉን ጥዕና ዘለዎ ልምድታት ናይ ምዝውታር ተኽእሎኦም ትሑት ክኸውን ይርአ እዩ። ንኣብነት ኣረጋውያን ድኹማት እዮም፡ ስለዚ ኮነ ኢሎም ንኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕናኦም ክብሉ ልክዕ ከምቲ ክገብርዎ ዘይግባኦም ኣብ ዝዀነሉ እዋን ዝያዳ ቀስ ኢሎም ምጕዓዝ ይጅምሩ፡ ኢሎም ክሓስቡ ይኽእሉ እዮም። ብሰንኪ ዕድመኦም ነገራት ክርስዑ ምዃኖም ስለ ዝጽበዩ፡ ኣብ ናይ ምዝካር ክእለቶም ምጽጋዕ ባዕሎም የቋርጹ፣ ወይ ንኽእለቶም ባዕሎም የዳኽምዎ። ስለዚ፡ ብዛዕባ እርጋን ኣሉታዊ ሓሳባት ምምዕባል ዘስዕቦ ጸቕጢ፡ ኣብ ነዊሕ እዋን ንሕዱር ነድሪን ዝያዳ ጸገማት ጥዕናን ከቃልዕ ይኽእል’ዩ። እዚ ድማ፡ ምስቲ ብዛዕባ እርጋን ዝግለጽ ጽዋታት፡ ሰባት ነቲ ዝፈርሕዎ ጸገማት ወይ ዝስምዖም ስምዒት ባዕሉ ከጋድዶ ይኽእል እዩ። እቲ ብኣንጻር’ዚ ዘሎ ነገራት ከኣ ውጽኢቱ ብኣንጻሩ ከም ዝኸውን ኣየከራኽርን። በዚ መሰረት፡ እርጋን  ድሒሩ እዩ ዝጅምር ኢሎም ዝኣምኑ ወይ ንእርጋን ብኣጋ ዘይቅበሉ ሰባት፡ ብዛዕባ ጥዕናኦምን ብቕዓት ኣካላቶም ዝያዳ ክፈልጡን ክግደሱን ይኽእሉ እዮም። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ዝሓሸ ቍመና ንኽጸንሑ ዘኽእሎም ንጡፍ ስጕምትታት ክወስዱ ይኽእሉ። ንኣሽቱ ኢና ኢሎም ስለዝሓስቡ ብንእስነት ይመላለሱ፣ ጽቡቕ ዓንኬላት ንእስነት ድማ ይፈጥሩ። ብዛዕባ እርጋን ብኣወንታ ምሕሳብ ጽቡቕ ረብሓታት ከም ዘለዎ ዘርኢ መጽናዕቲ፡ እዚ ናይ ኩፐርን ማርሞትን ጥራይ ኣይኮነን፤ ቤካ ሌቪ ካብ ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና የል ዩኒቨርሲቲ፡ ከምኡ'ውን ካብ ኦሃዮ መጽናዕቲ እርጋንን ጡረታን ዝተረኽቡ መረዳእታታት’ውን፡ ፍሉይ ውጽኢት ኣምጺኦም እዮም። እቲ ኣብ ኦሃዮ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ 50 ዓመት ዝዕድመኦም ልዕሊ ሽሕ ሰባት ተኸታቲሉ ነይሩ። ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሶም እርጋን ኣወንታዊ ሓሳባት ዝነበሮም ሰባት፡ ካብቲ ዝነበሮም ዕድመ ብማእከላይ ገምጋም ን22.6 ዓመታት ከም ዝነብሩ ክረክብ እንከሎ፡ እቶም ብዛዕባ እርጋን ኣሉታዊ ስምዒት ዝስምዖም ሰባት ግን ብማእከላይ ገምጋም ን15 ዓመት ጥራይ ዝያዳ ይነብሩ ነይሮም። ቀጺሉ ድማ ብሱዛን ዉርም ካብ ዩኒቨርሲቲ ግራይፍስዋልድ ኣብ ጀርመን ዝተኻየደ ሓድሽ መጽናዕቲ’ውን፡ ነቲ ጸገም ብዝያዳ ብልክዕ ከረጋግጾ ከም ዝኸኣለ እዩ ዝግለጽ። እቲ ዝተረኽበ ውጽኢት፡ ነቶም ብዛዕባ ምጅማር እርጋን ዝያዳ ኣሉታዊ ኰይኖም ዝሓስቡ ሰባት ገለ ጽቡቕ ዜና ይህቦም እዩ። ብመሰረቱ፡ ካብቲ ማእከላይ ገምጋም ዕድመ ብዙሕ ኣብ ዝቕልጥፍ ብኣጋ ናይ ምማት ተኽእሎ የብሎምን። እዚ ይዅን ግን ሕጂ’ውን፡ እቶም ብዛዕባ እርጋን ኣወንታዊ ሓሳብ ዘለዎም፡ ወይ ንእርጋን ቀልጢፎም ዘይቅበሉ ሰባት፡ ሓደስቲ ነገራት ክመሃሩ ሓድሽ መደባት ክውጥኑ ክነብሩን ስለዝረኣዩ፡ እዚ ኸኣ ንዓታቶም ካብቲ ማእከላይ ገምጋም ዕድመ ዝያዳ ዝነውሐ ዕድመ ክነብሩ ከም ዘኽእሎም እቲ መጽናዕቲ የረጋግጽ። ኣብዚ መጽናዕቲ፡ ሰባት ብዛዕባ ኣካላዊ ጽልዋ እርጋን እንታይ ከም ዝሓስቡ ክሳብ ክንድኡ ተገዲሱ ኣይረኣዮን። እቲ ዘገድስ፡ እንተኣሚኖም፡ ሰባት ብኣካልን ኣእምሮን ክዓብዩ ከም ዝኽእሉ እዩ፡ ይብል። ኵሉ’ዚ መጽናዕቲታት ዘረጋግጾ ነገር እንተሃልዩ፡ መስርሕ እርጋን ብተኣምራት ደው ከነብሎ ወይ ክንመልሶ ከምዘይከኣል እዩ። ምርኣይ፡ ምስማዕ፡ ምዝካር፡ ሓይሊ ጭዋዳታትን ኣዕጽምትን፡ መስርሕ ሕውየት፡ ኵሉ ክጐድል ግድን እዩ። ኣብ ርእሲኡ ኣረጋውያን ንዝዀነ ሕማማት ዝያዳ ተቓላዕቲ እዮም። እንተዀነ ብኣተሓሳስባና ግን ንእርጋን ከነደንጕዮ ይከኣል እዩ። እዞም ዓበይቲ መጽናዕትታት ኵሎም ኣብ ማእከላይ ገምጋም ዝተመርኮሱ እዮም። ጋዜጠኛ ሳይንስ ዴቪድ ሮብሰን ኣብታ ዘ ኤክስፐክቴሽን ኢፈክት እትብል መጽሓፉ ካብ ዝሃቦ ምኽርታት፡ እናዓበና ምስ ከድና ኣብ እንረኽቦ ተመኵሮታትን ፍልጠትን ከነተኩርን፡ እዚ ኸኣ ምስ ሂወትና ብምትሕሓዝ ክሳብ ክንደይ ዝሓሸ ከም እንረክብ ከነስተብህለሉን ከም ዘለና ይመክር። ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ጥዕና ምስ ዝስእኑ፡ ኵሉ ብሰንኪ እርጋን እዩ ኢሎም ክሓስቡ ኣይግባእን። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ዋላ’ኳ እናኣረግና ንኸይድ እንተሃለናን እርጋን ፍጹም ዘይምቕባላ፡ ጥዑያት ክንከውን ምፍታንን ገና ክንገብሮ እንኽእል ብዙሕ ነገራት ከምዘሎ ምእማንን ፈጺምና ተስፋ ዘይምቝራጽን ወሳኒ እዩ። ነዚ ኣተሓሳስባ እዚ እንተ ሒዝና፡ ኵልና ነዊሕ ዕድመ ክንነብርን ብፍላይ ነቲ ዳሕረዋይ ዓመታት ዕድመና ብግቡእ ከነስተማቕርን ተኽእሎ ኣሎ።","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cz4enj1yvp9o"} {"headline":"በዲዶ ህበይ፡ 'ዓለማዊ ስግኣት' ምዃኑ ወድብ ጥዕና ዓለም ኣዊጁ","content":"ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ለበዳ በዲዶ ህበይ ዓለማዊ ስግኣት ጥዕና ምዃኑ፡ ትማሊ 23 ሓምለ ኣዊጁ። ብውድብ ጥዕና ዓለም ተመሓላሊፉ ዘሎ ኣዋጅ፡ እቲ ዝልዓለ ናይ ስግኣት ደወል ኰይኑ፡ ውደብ ጥዕና ዓለም ነዚ ምርኵስ ብምግባር ብደረጃ ዓለም ዘሎ ብዝሒ ሕሙማት ብምርኣይ ተወሳኺ ኣዋጅ ከስዕብ ይኽእል እዩ። እዚ ኣዋጅ፡ ኮሚቴ ህጹጽ ጉዳያት ውድብ ጥዕና ዓለም ንኻልኣይ ግዜ ድሕሪ ዘካየዶ ኣኼባ እዩ፡ እቲ ቫይረስ ዓቢ ዓለማዊ ስግኣት ምዃኑ ናብ መደምደምታ ክብጽሕ ክኢሉ። ዳይረክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ እቲ ቫይረስ ኣብ 75 ሃገራት ልዕሊ 16 ሽሕ ሰባት ለኺፉ ከምዘሎ ገሊጹ። እቲ ዳይረክተር ጀነራል ኣስዒቡ፡ ክሳብ ሕጂ ሓሙሽተ ብሰንኪ እዚ ቫይረስ ምማቶም ተመዝጊቡ ምህላዉ’ውን ገሊጹ። ቅድሚ ሕጂ ከም ዓለማዊ ስግኣት ጥዕና ዝተገልጹ ሕማማት ኮሮናቫይረስን ፖልዮን እዮም። ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኮሚቴ ህጹጽ ጉዳያት ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እቲ ቫይረስ ኣብ መላእ ዓለም ብቕልጡፍ ይላባዕ ምህላዉ ተገንዚቡ፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት መደምደምታ ከምዝበጽሐ ኣተንቢሁ። “ክሳብ ሕጂ ብኣገባብ ምትሕልላፉ ውሑድ ነገር ኢና ክንርዳእ ክኢልና ዘለና፣ ውደብ ጥዕና ዓለም ዝገበሮ ዳህሳስ፡ በዲዶ ህበይ ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም ደሓን ኮይኑ ኣብ ዞባ ኣውሮጳ ግን ዓቢይ ሓደጋ ጥዕና ኣኸቲሉ ምህላዉ ክንፈልጥ ክኢልና ኣለና።” ዶክተር ቴድሮስ ኣስዒቡ፡ እቲ ብውድብ ጥዕና ዓለም ተመሓላሊፉ ዘሎ ኣዋጅ፡ እቲ ቫይረስ ብቕልጡፍ ንኸይላባዕ ንምግታእን፡ ክታበት ብህጹጽ ንኽምዕብልን ዝሕግዝ ምዃኑ ኣብሪሁ። ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሃገራት ስጕምቲ ንኽወስዳን ነቶም ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ንኽከላኸላሎምን ይሕግዝ እዩ ዝበሎ መምርሒታት ኣውጺኡ ኣሎ። ዶክተር ቴድሮስ፡ “እዚ ቫይረስ ቅኑዕ ስትራተጂ ኣውጺእና በቲ መምርሒታት እንተተመሪሕና ክግታእ ዝኽእል እዩ” ኢሉ። ብተወሳኺ፡ እቲ ቫይረስ ብዝያዳ ኣብ ደቂተባዕትዮ ምስ ደቂተባዕትዮ ጾታዊ ዝምድና ዘለዎምን፡ ብዝሒ ጾታዊ ዝምድና ዘለዎም ገኒኑ ይርኣ ከምዘሎ ገሊጹ። “ኣብ ልዕሊ እዞም ዝሓመሙ ዘጋጥም ተነጽሎ ልክዕ ከምቲ ቫይረስ ሓደገኛ እዩ” ክብል ከኣ ኣተሓሳሲቡ። በዲዶ ህበይ፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 1950ታት ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ’ዩ ተራእዩ። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 2000 በዚ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ተረኺቦም ኣለዉ። ሰብ መዚ ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ፡ ከም ሕደጾታውያንን ሰራሕተኛታት ጥዕናን እቶም ቀንዲ ንስግኣት ተቓሊዖም ዘለዉ ምዃኖም ብምግላጽ፡ ክታበት ክውሃቦም ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c80qjevqyq8o"} {"headline":"ብከላ ኣየር፡ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ ሰብነት ከስዕብ ይኽእል'ዩ ተባሂሉ","content":"ኣዝዩ ልዑል ንዝኾነ ብከላ ኣየር ዝቃልዑ ቆልዑ ንልዕሊ ዓቕን ርጎዲ ከምኡ’ውን ንሓደጋ ኣዝማ ከምዝሳጥሑ ሓደ መጽናዕቲ ሓቢሩ። ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ ሰብነት ዘለዎም ቆልዑ 79 ሚኢታዊት ንኣዝማ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ኣጋጣሚ ከምዘሎ እቲ መጽናዕቲ ይገልጽ። ኣብ ሞንጎ ብከላ ኣየርን ልዕሊ ዓቐን ርጉዲን ርክብ ከምዘሎ ዘረጋግጽ ኩነታት ብዝለዓለ ደረጃ ዝተረኣየለ ህንዳዊት ከተማ ደልሂ ኮይና፤ እታ ከተማ በቢዓመቱ ከቢድ ብኽለት ከምዘጋጥማ ይፍለጥ። እቲ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲን ኣዝማን ምስ ብኽለት ኣየር ዘለዎም ምትእስሳር ዝምልከት መጽናዕቲ ኣብ ህንዲ ንፈለማ እዋን’ዩ ተኻይዱ። ንነዊሕ ጊዜ ንዝተበከለ ኣየር ዝተቓላዕኻ ምዃን ኣብ ስርዓት ኣተነፋፍሳ ጸገም ከኸትል ከምዝኽእል ሰብ ሞያ ከጠንቅቑ ምጽንሖም ይፍለጥ። እዚ ድማ ብፍላይ ኣብ ቆልዑት ዝለዓለ ጠንቂ ከምዝኾነ ይሕብሩ። ፋውንዴሽን ክንክን ሳንቡእ [‘ላንግ ኬር ፋውንዴሽን’] ነቲ መጽናዕቲ ካብ ዘካየዱ ትካላት ሓደ ኮይኑ፤ ኣብ ውሽጢ 12 ኣብያተ ዝርከቡ 3 ሽሕን 157 ህጻናት ኣብ መጽናዕቱ ተኸታቲሉ። እቶም ህጻናት ካብ ከተማ ደልሂ ከምኡ’ውን ዝሓሸ ኣየር ኣለወን ካብ ዝባሃለ ኣብ ደቡባዊ ህንዲ ዝርከባ ከተማታት ኮታያምን ማይዱሩን እዮም ተሓርዮም። ኣብ ከተማ ደልሂ ካብ ዝርከቡ ህጻናት 39.8 ሚኢታዊት ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ (ህዝርጥና) ከምዘለዎም ከረጋግጽ ከሎ፤ ኣብተን ናይ ደቡባዊ ህንዲ ከተማታት ግን 16.4 ሚኢታዊት ጥራይ ነዚ ዝተቓልዑ ከምዝኾኑ ሓቢሩ። ህንዲ ሓንቲ ካብ ሞንጎ ኣብ ዓለም ንብከላ ኣየር ዝተቓልዓ ሃገራት ከምዝኾነት ይፍለጥ። ‘ፑልሞኬር ሪሰርች ኤንድ ኤጁኬሽን’ ናይ ዝተባሃለ ካልእ ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፈ ትካል ዳይሬክተር ዝኾነ ዶክተር ሱንዲፕ ሳልቪ፡ ንጹህ ዘይኮነ ኣየር ምስሓብ ኣብ ህጻናት ዘይተደላዪ ርጉዲ ከኸትል ከምዝኽእል ይዛረብ። እቶም ኣብ ኣየር ዝርከቡ ብከላ ዘኸትሉ ነገራት ኣብ ውሽጦም ‘ኦብሶጅንስ’ ዝበሃሉ ኬሚካላት ከምዝስከሙ ድማ የረድእ። “ዝኾነ ሰብ ዝተበከለ ኣየር ክስሕብ ከሎ እቶም ‘ኦብሶጂናት’ ናብ ሰብነት ይኣትዉ። እዚ ከኣ ንልዕሊ ዓቐን ክብደት\/ርግዲ ጸገም የኸትል” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ህጻናት መጠን ዝስሕብዎ ኣየር ዝለዓለ ስለዝኾነ ከኣ ካብ ዓበይቲ ብዝበለጸ ነቲ ብሰንኪ ብኽለት ዝስዕብ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲን ሕማም ኣዝማን ዝተቓልዑ ምዃኖም እቲ ዶክተር ይገልጽ። እቶም ኣብ ከተማ ደልሂ ዝነብሩ ተምሃሮ ንኣዝማ “ብዝለዓለ ደረጃ ተቓላዕቲ” ካብ ምዃኖም ብተወሳኺ ወትሩ ንብዓት ዝቛጽር ዓይኒ፣ ሰዓልን ዕንፍሩርን ይረኣዮም። ካብቶም ኣብ መጽናዕቲ ዝተዳህሰሱ ህጻናት ደልሂ፡ ኣብ ኩነታት ኣተነፋፍስኦም ብዝተገበረሎም ምርመራ እቶም 29.3 ሚኢታዊት ጸገም ምስትንፋስን ኣዝማን ተረኺብዎም’ዩ። ኣብዚ መጽናዕቲ ዝተረኸበ ውጽኢት ከኣ፤ ነቲ ጉዳይ ቆልሕታ ንምሃብ “ዓይኒ ዝኸፍት ውጽኢት” ተባሂሉ። ንብኽለት ኣየር ምቅላዕ ንረኽስታት ስርዓተ ምስትንፋስ፣ ኣዝማን ልዕሊ ዓቐን ርጉዲን ከምዘቃልዕ እቲ ኣብ ህጻናት ደልሂ ዝተኻየደ ምጽናዕቲ መረጋገጺ ኮይኑ’ሎ።","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58453409"} {"headline":"ካብ ባልደንጓነ ስገምን ንህጻናት ዝኸውን ሃናጻይ መግቢ ዘዳልዉ ኢትዮጵያውያን መናእሰይ","content":"እዞም ንህጻናት ዝኸውን ሃናጻይ ወይ ሓይሊ ወሃቢ መግቢ ካብ ባልደንጓን (ዓልቋይ)ን ስገምን ዘዳልዉ ዘለዉ መናእሰይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ገና ተምሃሮ ራብዓይ ዓመት ክፍሊ ትምህርቲ ፋርማሲ እዮም። ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝተኸሰተሉ እዋን “ንሕብረተሰብና ብኸመይ ንሓግዝ?” ብዝብል ድሕሪ ምዝርራቦም ናብዚ ሓሳብ ከምዝበጽሑ ይገልጹ። እቲ ሓሳቦም ከኣ ንህጻናት ኢትዮጵያ ዝኸውን ሃናጻይ\/ሓይሊ ወሃቢ ብሽኩቲ ካብ ዓልቋይን ስገምን ምድላው ዝብል ነይሩ። ብዙሓት ህጻናት ናብ ሕጽረት ፕሮቲን ብምቅልዖም ንድኽዳኸ [ቅልጡፍ ዘይኮነ ዕብየት ሰብነት]ን ካልኦት ጸገማት ጥዕናን ክሳጥሑ ብምርኣዮም ነዚ ሃናጻይ መግቢ ከዳልዉ ከምዝወሰኑ ሓደ ካብቶም መናእሰይ ዝኾነ ናኦል ኣዱኛ የረድእ። ብሰንኪ ሕጽረት ፕሮቲን ህይወቶም ዝስእኑ ህጻናት ቁጽሮም ብዙሕ ከምዝኾነ ይግለጽ። ብምዃኑ ድማ እቶም መናእሰይ ነቶም ብቐረባ ዝርከቡ ባልደንጓን ስገምን ተጠቒሞም ነቲ ብሽኩቲ ከዳልዉ ዝመረጹ። ናኦልን መሓዙቱን ከምዝብልዎ፤ ኢትዮጵያውያን ንባልደንጓን ስገምን ዝምገቡሉ መገዲ ኣብቶም ኣዝርእቲ ንዘሎ ንጥረ-ነገራት ብዝግባእ ንኽጥቀሙ ብዘኽእሎም ኩነታት ኣይኮነን። “ነዚ ኩነታት ብምግንዛብ ኢና ብስኩቲ ክነዳልው ዝኸኣልና። ቀንዲ ዕላማና ከኣ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ሕጽረት ፕሮቲን፣ ድኽዳኸ ህጻናትን ካልኦት ጸገማትን ምቅላል’ዩ” ይብል ናኦል። ዘፍረይዎ ብስኩቲ ከኣ ‘ፋባርሊ’ ዝብል ስያመ ሂቦምዎ ኣለዉ። እቲ ዘፍረይዎ ሓይሊ ወሃቢ መግቢ ኣብዚሕ ሕዚ እዋን ኣብ ደረጃ ፈተነ ዘሎ ኮይኑ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ክሽለሙሉ ከምዝኸኣሉ ይዛረቡ። ናብ ዴንማርክ ብምኻድ እውን ዘፍረይዎ ፍርያት ኣብ ቤተ-ፈተነ ከርእዩ በቒዖም ነይሮም። “ካብ ተሞክሮ ህይወተይ ዝተበገሰ ሓሳብ” ናኦል ኣብ ከሚሴ ተወሊዱ ዝዓበይ መንእሰይ’ዩ። ኣብቲ ከባቢ ብፍላይ ኣብ ገጠራት ብዙሕ ጊዜ ደርቅን ጥምየትን የጋጥም ምንባሩ ይዝክር። “ህጻን ኮይነ እዞም ጸገማት ብተደጋጋሚ ይኽሰቱ ነይሮም። ብዝተፈላለዩ ትካላት ረድኤት ዝቐርቡ ብሽኩትታት ክንምገብ ከለና ክንድምንታይ ሕጉሳት ንኸውን ከምዝነበርና እዝክር። ከመይ ጌርና ክንረኽቦም ንኽእል ኢለ እሓስብ ነይረ” ይብል። እዚ ተዘክርኡ ንመሓዙቱ፣ ኪሩቤል፣ ሙሴን ዮሴፍን ምስኣካፈሎም ነይሩ ሓሳብ ብሽኩቲ ‘ፋባርሊ’ ዝተወለደ። ነቲ ብሽኩቲ ከፍርዩ ብዙሕ መጻናዕቲ ዘካየዱ ኮይኖም ምስ ትካል መግቢ ዓለምን ኣብ ዴንማርክ ዝርከብ ሓደ ዩኒቨርሲቲን ተሓባቢሮም ይሰርሑ ምህላዎም ድማ ይገልጽ። ናብ ዕዳጋ ምቕራብ ዘፍርይዎ ብሽኩቲ ብተመጣጣኒ ዋጋ ናብ ዕዳጋ ንምቕራብ ሓሳብ ዘለዎም እዞም መናእሰይ፤ ብቕዓት መረጋገጺ ወረቐት ካብ ምርካብ ጀሚሩ ካልኦት ኣገደስቲ ዝኾኑ መስርሓት ብምስጋር ምህዞኦም ብስፍሓት ንምፍራይ ኣብ ጻዕሪ ይርከቡ። ናብ ዴንማርክ ኣብ ዝገሹሉ እዋን ዝረኸብዎ ገንዘብ ከምኡ’ውን ብሽልማትን ካብ ቤተሰብን ዝረኸብዎ 150 ሽሕ ብር መበገሲ ካፒታል ሒዞም ነቲ ብሽኩቲ ናብ ዕዳጋ ንምቕራብ ይሰርሑ ምህላዎም ይገልጹ። “ዕላማና ዓብዪ እንተኾነ’ኳ ብሓንሳብ ግን ክትዓብይ ኣይትኽእልን ኢኻ። ዘለና መበገሲ ካፒታል ንኢሽተይ እዩ። ብዙሕ ከፍርይ ከምዝኽእል ግን ርግጸኛታት ኢና” ይብል ናኦል። ብሰንኪ’ቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናትን ካልኦት ጸገማትን ብዙሓት ህጻናት ኣብ ሓደጋ ስለዝርከቡ ከምዚ ዝበለ ፕሮጀክት ኣድላዪ ምዃኑ’ውን ይሕብር። “ብዙሓት ህጻናት ካብ መኣዲ ትምህርቶም ኣብ ዝተኣጓጎሉሉ ኩነታት ኢና ዘለና። እዚ ከኣ ንዝተፈላለዩ ጸገማት ከቃልዖም ይኽእል’ዩ። እዞም ህጻናት ጽቡቕ ዕብየት ንኽህልዎም ጽቡቕ ነገር ክቐርበሎም ክኽእል ኣለዎ” ይብል። ንኦልን መሓዙቱን ነቲ ዘፍርይዎ ሃናጻይ ዝኾነ መግቢ ምሉእ ኢትዮጵያ ክበጽሕ ብምግባር ንህጻናት ንምርዳእ ክኽእሉ ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ትምህርቲ ናይ ምስራሕ ውጥን ኣለዎም።","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58977579"} {"headline":"ጾመ ረመዳን፡ ፆም ንጥዕና ፅቡቕ ድዩ?","content":"ኣብ እዋን ፆመ ረመዳን ሚልዮናት ሰዓብቲ እምነት እስልምና ን 30 መዓልታት ይፆሙ። ፆመ ረመዳን ካብ ሎመዓልቲ [13\/04\/2021] ጀሚሩ'ሎ። ጾም ግን ንጥዕና ፅቡቕ ድዩ? ን 30 መዓልታት ኣብ እትፆሙሉ እዋን ኣብ ሰብነትኩም እንታይ ክፍጠር ይኽእል? ፈታኒ ግዜ - ቀዳሞት መዓልታት ካብታ ንመወዳስታ ግዜ መግቢ ዝበላዕኩምላ ሸሞንተ ሰዓታት ክሳብ ዝመልእ ሰብነትኩም ናብቲ 'ናይ ፆም ስምዒት' ክኣቱ ኣይክእልን። እዚ ግዜ መኣዛታት መግቢ እናተፃረዩ ናብ ዝድለ ቦታ ዝበፅሑሉ'ዩ። ቁሩብ ፀኒሑ ሰብነትና ሓይሊ ንምርካብ ኣብ ፀላም ከብድን ጭዋዳታትን ካብ ዝተኣከበ ግሉኮስ (ሽኮር) ክወስድ ይፅበ። ኣብ እዋን ፆም እቲ ግሉኮስ ምስተወደአ፡ ፍልፍል ሓይሊ ሰብነትና ዝኸውን ስብሒ'ዩ። ሰብነት ስብሒ ከቓፅል ክጅምር ከሎ፡ ክብደት ንምንካይ፣ መጠን ኮለስትሮል ንምቁፅፃርን ንሕማም ሽኮር ዝህሉ ተሳጣሕነት ንምንካይን ይሕግዝ። ይኹን ዳኣ'ምበር ምንካይ መጠን ሽኮር ኣብ ደም፡ ንድኻምን ድንዛዘን የቃልዕ። ሕማም ርእሲ፣ ፀረውረውን ዕውልውልን ምባል፣ ከምኡ'ውን ፀገም ምስትንፋስ ከጋጥሙ ይኽእሉ። እዚ ዝኸውን ደረጃ ጥምየት ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክበፅሕ ከሎ እዩ። ሰብነትኩም ካብ ሓያል ፅምኢ (ድረቀት) ተኸላኸሉ - ካብ 3ይ - 7ይ መዓልቲ ፆም ኣብ እትጅምሩሉ እዋን ስብሒ እናመኸኸ ናብቲ ኣብ ደም ዝህልዉ ሽኮር ይቕየር። ኣብ እዋን ፆም መጠን እትወስድዎ ፈሳሲ ነገራት እንተነኪኹም፡ ኣብቶም ዝብልዓሎም ሰዓታት ክትትክእዎም ይግባእ። እንተዘይኮይኑ ድርቀት የኸትል። መግብታትኩም፡ ዝኣክል መጠን 'ጉልበት' ዘመንጭዉ ከም ካርቦ ሃይድሬትን ገለ ዓይነታት ስብሕን ክሕዙ ኣለዎም። ዝተመጣጠኑ መግብታት (ፕሮቲን፣ ጨውን ማይን) ክሕዙ ይግባእ። ምልምማድ - ካብ 8 ክሳብ 15 መዓልታት ኣብዚ ሳልሳይ ደረጃ ሰብነትኩም ምስቲ ፆም ስለዝለማመድ ገለ ምምሕያሻት እትርእዩሉ'ዩ። ዶክተር ራዚን ማህሩፍ (ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ) ተወሰኽቲ ረብሓታት ከምዘለው ይሕብሩ። \"ኣብ ስሩዕ መነባብሮና ብዙሕ ካሎሪ ንወስድ ኢና፤ እዚ ድማ ሰብነትና ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከየቀላጥፍ ይገብሮ። ንገዛእ ርእሱ ከይፅግንን ከይከላኸልን ምግባር እቲ ሓደ'ዩ\" ስለዝኾነ ፆም ነቲ ክንወስዶ ዝፀናሕና ዝለዓለ መጠን ካሎሪ ክንክይ ስለዝገብሮ፡ ሰብነትና ንገዛእ ርእሱ ክፅግንን ከሕዊን ካብ ምግባሩ ብተወሳኺ፡ ንረኽስታት ክቃለስ የኽእሎ። ምእላይ (ምውጋድ) መርዚ ካብ 16 ክሳብ 30 መዓልቲ ኣብ መፋርቕ ፆም ረመዳን ሰብነት ንኹሉ ኩነታት ብምሉእ ይለማመዶ። መዓናጡ፣ ኩሊትን ቆርበትን ንምምራዝ ናይ ምምክልኻል ወይ ድማ ናይ ምውጋድ ዓቕሚ ይህልዎም። \"ኣካል ናብ ዝለዓለ ዓቕሙ ስለዝምለስ፡ ናይ መዝካርን ምስትውዓልን ዓቕሚ ይብርኽ፤ ተወሳኺ ጉልበት ምርካብ ይከኣል\" ይብሉ ዶክተር ማህሩፍ። እሞዳኣ፡ ፆም ንጥዕና ፅቡቕ'ዶ ጠንቂ? ዶክተር ማህሩፍ 'እወ' ንጥዕና ፅቡቕ ብምባል ቅድመ ኩነት የቕምጡ። \"ፆም ንጥዕና ፅቡቕ'ዩ፤ ምኽንያቱ እንታይን መዓዝን ክንበልዕ ኣብ ዝብል ክነትኩር ይሕግዘና'ዩ። ይኹንዳኣ'ምበር ንሓደ ወርሒ ዝፀንሕ ፆም ክኸውን ኣለዎ፤ ብተኸታተልቲ መዓልታት ንነዊሕ እዋን ዝቐፀለ ፆም ግን ዝምከር ኣይኮነን\" ይብሉ። ነዊሕ እዋን ዝፀንሕ ፆም ክብደት ንምንካይ ዝጠቅም ፅቡቕ ኣማራፂ ኣይኮነን፤ ምኽንያቱ ሰብነትና ንስብሒ ናብ ጭዋዳ እምበር ናብ ጉልበት ኣይቕየርን። እዚ ድማ ጥዕናዊ ኣይኮነን፤ እዚ'ውን ሰብነት ናብ ናይ ምጥማይ ስምዒት ይኣቱ ከምዘሎ የመልክት\" ብዘይካ ረመዳን፡ ብሓንሳን ንኣዋርሕ ብዘይምቁራፅ ካብ ምፃም ፅቡቕ ኣመጋግባ እናተኸተልካ ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልታት ክትፀውም ምኽኣል ይምዕዱ። ፆመ ረመዳን ፅቡቕ ከምዝሰርሕ ከረድኡ ከለው \"በብመዓልቱ ጉልበት ንኽትካእ ይሕግዝ፡ እዚ ካኣ ኣገደስቲ ዝኾኑ ጭዋዳታት ከየቃፀልካ ክብደት ንምንካይ ይሕግዝ\" ይብሉ።","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-44107654"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ንሕሙማት ካልእ ሕማም ዝኾነ ወሰኽ ዋጋ መንግስታዊ ትካላት ጥዕና","content":"ሰላማዊት ነባሪት ከተማ ኣዲስ ኣበባ እያ፡፡ ብምኽንያት ኣዲኣ ዘለወን ሕዱር ሕማም ወርትግ ናብ ሕክምና ይመላለሳ፡፡ ቆጸራ ምስዝህልወን ኩሉ ሻብ ኣብ ቀረበአን ናብ ዝርከብ መደበር ጥዕና ሒዛተን ትኸይድ፡፡ እቲ መደበር ጥዕና ቀረባ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ብዋጋ እውን ተመራጺ እዩ ነይሩ፡፡ ሎሚ ዝገጠማ ግን ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝተፈለየ እዩ፡፡ ዋግኡ ኣይልከፍን፤ ምስቲ ዘለወን ዓቕሚ እንክነጻጸር ከምቲ ዝተጸበየኦ ኣይኮነን፡፡ \"ዋጋ ካርዲ 5 ቅርሺ ዝነበረ 50 ብር በጺሑ፤ ካርዲ ጥራሕ እውን ኣይኮነን፡፡ ኩሉ ናይ ኣገልግሎታት ዋጋ ወሲኹ እዩ፡\" ትብል ሰላማዊት፡፡ ኣብ ሕክምና ዘሎ መማረጺ ድማ ሓደ'ዩ ምሕካም፡፡ ሰላማዊት ናብ ናይ ውልቀ ሕክምና ከይትኸይድ እቲ ዋጋ ዝገደደ እዩ፡፡ ''ዘለኒ ኣማራጺ ስልኪ ደዊለ ተወሳኺ ቅርሺ ተለቂሖም ከምጽኡለይ ምሕታት እዩ'' ትብል፡፡ ብነጻ ዝወሃቡ ዝነበሩ ኣገልግሎታት እውን ክፍሊት ወጺኡሎም እዩ፡፡ ምውሳኽ ዋጋ መንግስታዊ ትካላት ጥዕና ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ ዶ\/ር ሱራፍኤል ኣየለ ይበሃል፡፡ ኣብ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ጎንደር መምህር እዩ፡፡ ኣብቲ ሆስፒታል ናይ ኣገልግሎትን ሕክምና ዋጋ ኣዝዩ ወሲኹ እዩ ይብል፡፡ ''እቲ ትእዛዝ ካብ ፌደራል ዝመጸአ እዩ'' ዝብል ዶ\/ር ሱራፍኤል ''ዘገርም'' ከምዝኾነ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡ ''ካርዲ ንምውጻእ 5 ቅርሺ ነይሩ፤ ሕጂ ግን 60 ቅርሺ እዩ ኮይኑ ዘሎ፡፡ ደቂስካ ንምሕካም ፡ ንመደቀሲ ዓራት 10 ብር ዝነበረ ናብ 180 ዓብዩ፡፡ ናይ ላቦራቶርን ካልኦት ወጻኢታትን እውን ወሲኹ እዩ'' ኢሉ፡፡ ዶ\/ር ሱራፍኤል ከምዝሓበሮ፡ ቅድሚ ሕዚ ብነጻ ዝወሃቡ ዝነበሩ ኣገልግሎታት ሐዚ ዋጋ ወጺኡሎም እዩ፡፡ ''ብነጻ ደቂሶም ዝሕከሙ ዝነበሩ ብሕጽረት ምግቢ ዝተጠቕዑ ሕሙማት፡ ሐዚ ማዕረ ምስ ካልእ ሕሙም 180 ብር እዮም ዝኸፍሉ ዘለዉ፡፡ ድኻ ብምዃኑ ውላዱ ብጥምየት ዝደደኾ ወላዲ እውን ንመዓልቲ 180 ብር ክኸፍል ይግበር'' ኢሉ፡፡ ቢቢሲ ካብ ዝፈላለዩ ምንጭታት ብዝገበሮ ምጽራይ፡ ኣብ ትካላት ጥዕና መንግስቲ ዝተገበሩ ናይ ዋጋ ወሰኻት ዝተፈላለዩ እዮም፡፡ ሰብ ሞያ ሕክምና ትኹረት ኣብ ዝገበረ ሓኪም ዝተባህለ ናይ ፌስቡክ ገጽ፡ ሓሳቡ ዘካፈለ ናይ ኣእምሮ ሕክምና ስፔሻሊስት ዶ\/ር ዮናስ ላቀው 'ናይ ኣማኑኤል ሆስፒታል ናይ ዋጋ ወሰኽ'' ብዝብል ኣርእስቲ ዝስዕብ ሓሳብ ኣካፊሉ፡፡ ''ቅድም ክብል 5 ቅርሺ ዝነበረ ናይ ካርዲ ዋጋ ሐዚ 50 ቅርሺ ኮይኑ፡፡ ደቂሶም ንዝሕከሙ ዝኽፈል ዝነበረ መትሓዚ 400 ብር ነይሩ፤ ሐዚ 9000(ትሸዓተ ሽሕ) ብር ኮይኑ፡፡ ንመደቀሲ ብዓልቲ 3 ቅርሺ ዝነበረ 118 ቅርሺ ኮይኑ'' ኢሉ፡፡ እስኪ ሐዚ ድማ ካብ ኣማኑኤል ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ኣእምሮ ናብ ወራቤ ንኺድ፡፡ ዶ\/ር ፈድሉ ጀንፋ ኣብ ኮምፕረሀንሲቭ ሆስፒታል ወራቤ ክኢላ ናይ ውሽጣዊ ሕማማት እዩ፡ ንሱ እውን ኣብቲ ዝሰርሓሉ ሆስፒታል ብተመሳሳሊ ወሰኽ ዋጋ ከምዘሎ ይገልጽ፡፡ እቲ ወሰኽ ዋጋ ብዝተፈላለየ ደረጃ ከምዝግለጽ ብምጥቃስ ''ናይ ኣልትራሳውንድ ዋጋ ካብ 150 ናብ 300 ቅርሺ ዓብዩ፡፡ ደቂሶም ዝሕከሙ ሰባት ዝኸፍልዎ ዝነበረ መዓልታዉ 47 ብር ናብ 170 ብር ዓብዩ'' ብምባል ከም ኣብነት ይጠቅስ፡፡ እቲ ናይ ዋጋ ወሰኽ ዝገበሮ ሚኒስትሪ ሓለዋ ጥዕና ከምዝኾነ እትገልጽ ወ\/ሮ ፍረህይወት ኣበበ፡ ናይ ትካል መድሕን ጥዕና ዳይሬክተር ጀነራል እያ፡፡ ''እቲ ኣብ ስራሕ ዝጸንሐ ዋጋ፡ ነዊሕ ግዘ ዘቑጸረን ብመንጽር ጻንሒት፣ ዋጋን ናይ ብር ናይ ምግዛእ ዓቕምን ምስትኽኻል ከምዝግባእ ትጽቢት ዝግበረሉን እዩ'' ኢላ፡፡ ብተወሳኺ ኣብ ትካላት ጥዕና መንግስቲ ዝቐርብ ስምዕታ ኣሎ፡፡ ''እቲ ስምዕታ ንምፍታሕ ድማ ሃብቲ የድሊ እዩ'' እትብል ወ\/ሮ ፍረህይወት '' በቲ ዝነበረ ኣሰራርሓ ንዓውዲ ሕክምና ካብ ዝወጽእ ወጻኢ እቲ 60 ወይ 70 ካብ ሚኢቲ መንግስቲ እዩ ዝሽፍኖ ነይሩ፡፡ እቲ ዝተረፈ እዩ ሕብረሰብ ይሽፍኖ'' ኢላ፡፡ እቲ ወሰኽ ዋጋ ነቶም ኣብ መድሕን ጥዕና ዝተሓቖፉ ኣይምልከትን፡፡ ዶ\/ር ዮናስ ላቀው እውን '' እዚ ለውጢ ዝተገበረ ሚኒስትሪ ጥዕና ብዝኣወጆ መመርሒ መሰረት እዩ፡፡ ናይ ማሕረሰብ መድሕን ጥዕና ዘለዎም ተሓከምቲ ሐዚ እውን ብነጻ እዮም ኣገልግሎት ዝረኽቡ፡፡ ዘይብሎም ግን ኣገልግሎት ንምርካብ ክኸፍሉ ኣለዎም'' ኢሉ፡፡ በዚ ምኽንያት ሕክምና ክረኽቡ ዝግበኦም ሰባት ኣይረኽቡን ዘለዉ፡፡ ''ኣብ በዝሒ ሕሙማት ምቕናስ ከምዘሎ ጠቕላላ ሓካይም (ጀነራል ፕራክትሽነርስ) ይነግሩና እዮም፡፡ ሆስፒታል ኣትዮም ክሕከሙ ዝግበኦም ብምኽንያት ገንዘብ ኣይኣተዉን ከምዝበሃል ሰሚዐ እየ'' ይብል ዶ\/ር ፈድሉ፡፡ ምቕናስ ቁጽሪ ተሓከምቲ ከምዘሎ ዝሰማማዕ ዶ\/ር ሱራፍኤል ድማ '' (ነቲ ዋጋ ምሰፈለጡ) ኣብ ኣፍደገ በጺሖም ይምለሱ እዮም፡፡ ሐዚ መብዛሕተኦም ተሓከምቲ ብምኽንያት እቲ ወሰኸ ዋጋ እናተጸገሙ፤ ሕክምና ኣቋሪጾም ንምውጻእ እናተገደዱ፣ ኣድላዪ መድሓኒት ንምግዛእን ምርመራ ንምግባርን እናተጸገሙ፡ ናይ መድሕን ጥዕና ተጠቀምቲ ዝኾኑ ግና ብዘይ ዝኾነ ጸገም ይሕከሙ ኣለዉ'' ኢሉ፡፡ መድሕን ጥዕና ስለዘይብሉ ናብ ትካላት ሕክምና ዝመጽእ ሰብ ብምትራፉ ወይ ብምኽንያት እቲ ክፍሊት ግቡእ ሕክምና ብዘይምርካቡ ህይወት ክንስእን ንኽእል ኢና ብምባል ነቲ ሓሳብ ዝድግፍ ድማ ዶ\/ር ፈድሉ እዩ፡፡ ካልእ ሰብ ሞይ ጥዕና ዘልዕልዎ፡ ኣቐዲሙ እቲ መስርሕ ክትግበር ምዃኑ፣ ሕብረተሰብ ክፈልጦን ምድላው ክገብርን ይግባእ ነይሩ ዝብል እዩ፡፡ ዶ\/ር ፈድሉ፡ እቲ ኣሰራርሓ ተግባራዊ ቅድሚ ምዃኑ ሕብረተሰብ ክፈልጦን ክዳሎን ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ምድላው እንተዝግበር ዝሓሸ ምኾነ ነይሩ ይብል፡፡ ወ\/ሮ ፍረህይወት ግና ነቲ ሕብረተሰብ ድሉው ናይ ምግባር ስራሕ ናይ ቤት ጽሕፈቶም ስራሕ ዘይኮነስ ናይ ሚኒስትሪ ሓለዋ ጥዕና ከምዝኾነ ተዛሪባ፡፡ እቲ ካልእ ጸገም ናይ ጥዕና መድሕን ዘለዎም ሰባት እውን እንተኾነ ኣብ ኩሎም ትካላት ጥዕና ክጥቀሙ ዘይምኽኣሎም እዩ፡፡ ''እቲ ዘሎ ዞባዊ ኣሰራርሓ እዩ፡፡ (ናብ ዞባና ዝወጽአ መድሕን ጥዕና) ኣብ ዞባና ጥራሕ እዩ ዝሰርሕ፡፡ ካብ ጎረባብቲ ዞባታት ንዝመጹ ኣገልግሎት ኣይህብን፡፡ ስለዚ ክኸፍሉ ይግደዱ እዮም፡፡ ግን ኣብ ዞባ ጥራሕ ክኸውን የብሉን ብደረጃ ክልል ወይ ሃገር ክኸውን ኣለዎ'' ይብል ዶ\/ር ፈድሉ፡፡ ተመሳሳሊ ጸገም ከምዘስተውዓለ ዝገልጽ ዶ\/ር ሱራፍኤል እውን ሓደ ተሓካሚ ኣብ ጎንደር ክረኽቦ ዘይከኣለ ሕክምና ንምርካብ ናብ ባህርዳር እንተኸይዱ በቲ ዘለዎ ናይ ጥዕና መድሕን ዝሽፈን ስለዘይኮነ ክኸፍል እዩ ዝግደድ ኢሉ፡፡ እዚ ድማ እቲ መድሕን ጥዕና እውን እንተኾነ ንኹሉ ናይ ነጻ ሕክምና ኣየርክብን ማለት ከምዝኾነ ኣረዲኡ፡፡ መድሕን ጥዕና ኣብ ኩሎም ትካላት ጥዕና ኣገልግሎት ክትረክብ ከምዘይኽእል እትሰማማዕ ወ\/ሮ ፍረህይወት ''እቲ ሐዚ ዘሎ ኣሰራርሓ ናይ ሪፈራል ሰንሰለት ሓልዩ እዩ ዝኸይድ'' ትብል። ነዚ ንምፍታሕ ድማ ትካላት ጥዕና ምስ ብዙሓት ትካላት ጥዕና ውዕል ክኣስሩን ሓቢሮም ክሰርሑን ከምዝግባእ ተዛሪባ፡፡ እቲ ካልእ ጸገም ድማ እቲ መድሕን ጥዕና ንኹሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ማእከል ዘይገበረ ምዃኑ እዩ፡፡ ሰራሕተኛታት መንግስትን ሰብ ሞያ ጥዕናን ሓዊሱ ኣብ መድሕን ጥዕና ዘይሕቆፉ ከምዘለዉ ዝገልጽ ዶ\/ር ሱራፍኤል እዞም ክፋላት ሕብረተሰብ ንጸገም ተቓላዕቲ እዮም ኢሉ፡፡ እቲ መድሕን ጥዕና መደበኛ ኣብዘይኮነ ስራሕ ንዘተዋፈሩን ወርሓዊ ደሞዝ ንዘይብሎምን ትኹረት ዝገበረ እዩ፡፡ ''እቲ ሐዚ ተግባራዊ ዝተገበረ መድሕን ጥዕና መደበኛ ኣብዘይኮነ ዓውዲ ስራሕ ንዝተዋፈሩን ካብ 10 ሰብ ንታሕቲ ኣብ ዝቖጽሩን ዓውዲታት ንዝሰርሑን ኣብ ትሑት መነባብሮ ንዘለዉን'' ዝሓቁፍ ከምዝኾነ ወ\/ሮ ፍረህይወት ኣረጋጊጻ፡፡ ኣብ ቀረባ ድማ ንኻልኦት እውን ዘካትት ኣሰራርሓ ብምዝርጋሕ ተግባራዊ ብምግባር እቲ ጸገም ከምዝፍታሕ ሓቢራ፡፡ እቶም ዘዘራረብናዮም ሰብሞይ ጥዕና ኣብቲ ወሰኽ ዋጋ ብዙሕ ቅረታ ዘለዎም ኣይመስሉን። ዘይሰማምዑሉ ኣብቲ መጠን ወሰኽን እቲ ወሰኽ ዝተገበረሉ እዋንን እዩ፡፡ ''እቲ ሓሳብ ብሓፈሻ ነቲ ሕብረተሰብ ናብ መድሕን ጥዕና ንምእታው ዝዓለመ ይመስል፡፡ ብኽንያቱ ካብ ጁባኻ ከፊልካ ኣይትኽእሎን፡፡ ኩሉ ሰብ በቲ ዝኸፈሎ ገንዘብ እዩ ዝሕከም፡፡ ናይቲ ዓውዲ ገንዘብ እውን ይመሓየሽ፡፡ እቲ ትካል ከም ምዕራባውያንን ኣመሪካን ንምግባር እዩ፡፡ ብሓፈሻ እቲ ኣሰራርሓ ይድግፎ እየ፡፡ እቲ ትልሚ ዓውዲ ጥዕና ንምዕባይ እዩ'' ይብል ዶ\/ር ፈድሉ፡፡ ዶ\/ር ሱራፍኤል ብወገኑ ''ንምንታይ በዚ መጠን ዋጋ ከምዝወሰኸ ንምፍላጥ ኣብ ዝገበርክዎ ጻዕሪ፡ ቅድሚ ሕዚ ሆስፒታላት ካብ ልክዕ ብዝነኣሰ ዋጋ ኣገልግሎት ይህባ ስለዝነበራ ንክሳራ ከምዝተቓላዓን እቲ ሐዚ ዝወጸ ዋጋ ግን ግቡእ ክፍሊት ከምዝኾነን እዩ፡፡ ብተወሳኺ ኣብ ገጠር ዘሎ ሕብረተሰብ ናይ ጥዕና መድሕን ተጠቃሚ ክኸውን ንምብርትታዕ ዝዓለመ እዩ'' ይብል፡፡ ኮይኑ ግና በቲ ዝተወሰኸ መጠን ክፍሊት ኣብ ኣገልግሎት ዝግበር ምምሕያሽከ እንታይ እዩ ክብል ይሓትት፡፡ ኣዲኣ ንሰላማዊት ሕክምነአን ተኸታቲለን ሓውየን እየን፡፡ ንሳ እውን ንጽባሓይትኡ ናይ ጥዕና መድሕን ዓመታዊ ክፍሊት ፈጺማ ኣባል ኮይነን ኣለዋ፡፡ በብግዚኡ ብምኽንያት ኣዲኣ ናብ ሕክምና እትመላለስ ሰላማዊት ሐዚ ''እፎይ ኢለ ኣለኹ'' ትብል፡፡ መድሕን ጥዕና ማለት፡ ሓደ ቤተሰብ ብዓመት ዝተወሰነ ገንዘብ ብምኽፋል፡ ኣባላት ቤተሰቡ እንትሓሙ ብነጻ ኣገልግሎት ሕክምና ዝረኽበሉ መንገዲ እዩ፡፡ መደበኛ ዘይኮነ ስራሕ ንዝሰርሑን ቀዋሚ ደሞዝ ንዘይብሎምን ማእከል ዝገበረ ኮይኑ፡ ተግባራዊ ካብ ዝኸውን 10 ዓመት ገይሩ ኣሎ፡፡ 40 ሚልዮን ኣባላት ከምዘለዉዎ እውን ንምፍላጥ ተኻኢሉ፡፡ ካብ ዘለዉዎ ኣባላት 24 ሚኢታዊት (8 ሚልዮን ዝኾኑ) ኣብ ትሕቲ ጸፍሒ ድኽነት ዝርከቡ ብምዃኖም ወጻኢኦም ብመንግስቲ እዩ ዝሽፈን፡፡ በቢከባቢኡ ዝፈላለ፡ ኣብ ዓመት ሓደ ግዘ ብዝፍጸም ክፍሊት ኣባል ምዃን ይከኣል፡፡ ንኣብነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሓደ መራሒ ስድራ 350 ብር ብምኽፋል ምምዝጋብ ይኽእል ነይሩ፡፡ እዚ ድማ ናይ ልብን ኣእምሮን ሕክምና ሓዊሱ ኣብታ ከተማ ኣብ ዘለዉ ትካላት ጥዕና ዝወሃብ ኣገልግሎት እዩ፡፡ እንተኾነ እዚ ዋጋ እውን ወሰኽ ክግበሮ ከምዝኽእል እያ ወ\/ሮ ፍረህይወት እትዛረብ፡፡ ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶ ሓለዋ ጥዕና ንምርካብ ዝገበርናዮ ተደጋጋሚ ጻዕሪ አይሰመረን፡፡","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58251302"} {"headline":"መዓልታዊ ዓቐን ሽኮር ሰብነትና ንምምጥጣን ክልተ ብርጭቆ ነቢት ጥራይ እኹል'ዩ","content":"ኣብ ዙርያ ልዕሊ 30 ጠራሙዝ ነቢት (ዋይን) ድሕሪ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ መዓልታዊ ዓቐን ሽኮር ሰብነትና ንምምጥጣን ክልተ ብርጭቆ ነቢት ጥራይ እኹል ከም ዝኾነ ሓደ መጽናዕቲ ኣነጺሩ። ኣልኮል ሄልዝ ኣላያንስ ብሪጣኒያ: ገሊኦም ናይ ነቢት ጠራሙዝ ክሳብ 59 ግራም ሽኮር ከም ዘለዎም ይገልጽ። ኣብ ቀይሕ፣ ጻዕዳ፣ ሮዛ፣ ናይ ኣትክልትን ስፓርክሊንን ነቢታት ኣብ ቤተ ፈተነ ምጽራይ ክግበረሎም እንከሎ ኩሎም ናይ ኒዩትርሽን ሓበሬታ ከም ዘይብሎም ተራእዩ። በዚ: ትሕዝቶ ካሎሪ ስፓርክሊን ነቢት ጥራይ ክፍለጥ እንከሎ ጎስጎስቲ ተጠቀምቲ ነቢት ክንደይ ዝኣክል ካሎሪን ሽኮርን ይወስዱ ምህላዎም ንክፈልጡ ለውጢ ክግበር ይሓቱ። \"ጸባ ዝጥቀሙ ሰባት ወይ ጽሟቕ ኣራንሺ ዝገዝኡ ሰባት ኣብቲ ዝደልዩዎ ኣቕሓ ዝርዝር ሓበሬታ ይረኽቡ'ዮም። ናብ ኣልኮላዊ መስተ ክመጽእ እንከሎ እዚ ሓበሬታ ኣይርከብን፤ ኣልኮል ዋላ'ኳ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ እንተዘየምጽአ ጥዕናዊ ሳዕቤንን ምስ ሸውዓተ ዓይነታት መንሽሮ ዝተሓሓዝ ጉድኣትን ኣለዎ'ዩ\" ይብል ኣቦ መንበር ኣልኮል ሄልዝ ኣላያንስ ፕሮፌሰር ሰር ኢያን ጊልሞር። ትካል ጥዕና ዓዲ ኢንግሊዝ: ኣባጽሕ: ኣብ ናይ ፍሩታታት ጽሟቕ ወይ ኣብ መግብን መስተን ዝሕወስ ሽኮር ሓዊሱ ኣብ መዓልቲ እንተበዝሐ 30 ግራም \"ናጻ ሽኮር\" ክወስዱ እዩ ይምዕድ። እቲ ሓደ ሰብ ኣብ መዓልቲ ክህልዎ ወይ ክወስዶ ዝግባእ ዓቐን ሽኮር ድማ ክልተ ማእኸለዎት ብርጭቆ ነቢት ብምስታይ ክበጽሖ ከም ዝኽእል ኣብ ቀረባ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ይሕብር። እቶም ብርቱዓት ዘይኮኑ ነቢታት ድማ ካብቶም ልዑል መጠን ሽኮር ዘለዎም ኮይኖም: ናይ ኣልኮል መጠኖም ትሑት ስለ ዝኾነ ንጥዕና ተመረጽቲ ኣይኮኑን።","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60385197"} {"headline":"ስቡሕ መልሓስ ኣብ እዋን ድቃስ ንዘጋጥም ጸገም ምስትንፋስ የቃልዕ","content":"ሰባት ኣብ እዋን ድቃስ ትንፋስ ክሓጽሮም ወይ ክቆራረጾም ዝገብር ጸገም ምዝባዕ ድቃስ፡ ምስ ኣብ መልሓስ ዝእከብ ስብሒ ከምዝተሓሓዝ ሓደ መጽናቲ ኣመልኪቱ። ኣብ ግዜ ድቃስ ትንፋስ ዝሓጽሮም [ስሊፕ ኣፕኖያ ዘለዎም] ሰባት፡ ክብደት ኣብ ዝነከዩሉ ኣብ መልሓሶም ዝተኣከበ ስብሒ'ውን ከምዝነከየን ኣብ ድቃሶም ምምሕያሽ ከምዝተረኣየን፡ ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ ሓቢሮም። ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ ዘለዎም ሰባት፡ ዓብይን ስብሒ ዘለዎን መልሓስ ክህልዎም ልሙድ እዩ። ጉጅለ ተመራመርቲ ፐንሲልቫኒያ-ኣሜሪካ ከምዝበልዎ ግን፡ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ ዘይብሎም ሰባት'ውን ስቡሕ መልሓስ እንተልዩዎም፡ ግዳያት ዝተዛብዐ (ዘይምዕሩይ) ድቃስ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። እቶም ተመራመርቲ፡ ርቕቕ ዝበለ መልሓስ ንኽህሉ ዘኽእሉ መግብታት ኣየኖት ከምዝኾኑ ንምንጻር ይሰርሑ ኣለዉ። \"ብመልሓስና ንዛረብ፣ ንበልዕን ነስተንፍስን - ብኸመይ ደኣ ስብሒ ክእከበሉ ክኢሉ?\" ክብል ይሓትት ነቲ መጽናዕቲ ካብ ዘካየዱ ሓደ ዝኾነ ዶክተር ሪቻርድ ሽዋብ ካብ ፐርልማን ቤት ትምህርቲ ሕክምና። \"እቲ ምኽንያት ንጹር ኣይኮነን፤ ብዘርኢ ወይ ከኣ ብክሊማዊ ኩነታት ክኸውን ይኽእል'ዩ። ግን ድማ ዝተሓተ መጠን ስብሒ ዘለዎ መልሓዝ ኣብ እዋን ድቃስ ዝተሓተ ናይ ምዕጻፍ ኣጋጣሚ ኣለዎ\" ክብል ኣረዲኡ። ኣብ እዋን ድቃስ ዘጋጥም ናይ ምስትንፋስ ምቁርራጽ [ስሊፕ ኣፕኖያ] ኣብ ድቃስ ምሕርናኽ፣ ከቢድ ድምጺ ዘለዎ ኣተነፋፍሳን ዓወጽወጽ ምባልን ከስዕብ ይኽእል። ኣብ ቀትሪ'ውን ደቃሲ ክገብረካ ይኽእል፤ እዚ ድማ ኣብ ህይወትካ ጽልዋ የሕድር። ኣብ እዋን ድቃስ ዝረኣይ ምቁርራጽ ትንፋስ [ስሊፕ ኣፕኖያ] እዋን ሰባት ምስ ደቀሱ እቲ ላዕለዋይ ትቦ ኣየር ብምሉእ ወይ ብኽፋል ክዕጸው ከሎ ዝኽሰት'ዩ። ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ፣ ዓብዪ ክሳድ ወይ ሓናት ዘለዎም ሰባት ብቐሊሉ ነዚ ጸገም ክቃልዑ ይኽእሉ። ኣብ ግዜ ድቃስ፡ ከቢድ ዝበሃል ምቁርራጽ ወይ ሕጽረት ትንፋስ [ስሊፕ ኣፕኖያ] እንተልይኩም ግን ናብ ሕክምና ክትኸዱ ይግባእ። ተወሰኽቲ ንምንባብ","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51081491"} {"headline":"ውድብ ጥዕና ዓለም ብዙሓት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኮቪድ-19 ናብ ግጉይ ኣንፈት የምርሓ ኣለዋ ኢሉ","content":"መንግስታት ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ትቡዕ ስጉምቲ እንተዘይወሲዶም፡ እቲ ለበዳ \"ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ክምርሕ'ዩ\" ብምባል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ። ዳይሬክተር ጀነራል እቲ ውድብ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ \"ብርክት ዝበላ ሃገራት ናብ ግጉይ ኣንፈት እየን ዘምርሓ ዘለዋ\" ኢሉ። ሓደጋ እዚ ቫይረስ ንምንካይ ዝሕግዙ ስጉምታት ኣብ ዘይተተግበረለን ሃገራት፡ ቑጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ክውስኽ ይርኣይ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ \"እዚ ቫይረስ ቑጽሪ ሓደ ጸረ ህዝቢ እንተኾነ'ውን፡ ስጉምቲ ብዙሓት መንግስታት ግን ነዚ ዘመላኽት ኣይኮነን\" ክብል ስክፍትኡ ገሊጹ። ኣብ ዙርያ እዚ ቫይረስ ካብ መራሕቲ ዝመሓላለፉ መልእኽታት ሓደ ዓይነት ዘይምዃኖም ድማ፡ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምቀቁጽጻር ዝግበር ጻዕሪ ተኣማንነት ከም ዘስኣኖ ሓቢሩ። ዶክተር ቴድሮስ፡ \"ሕጂ'ውን መሰረታዊ ዝኾኑ ነገራት ክነተግብር እንተዘይኽኢልና፡ ዝርግሐ እቲ ለበዳ እናኸፍአ ክኸይድ'ዩ\" ክብል ኣጠንቂቑ። ዳይሬክተር ጉዳያት ህጹጽ እዋን ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ማይክ ሪያን ብወገኑ፡ ኣብ ኣሜሪካ ዝውሰዱ ዘለው ስጉምታት ምፍኳስ ኣዋጃት ዕጽዋ \"ዘይተኣደነ መልከፍቲ\" ኮሮናቫይረስ ክኽሰት ምኽንያት ይኸውን ከም ዘሎ ተዛሪቡ። ኣብ ላቲን ኣሜሪካ ጥራሕ ምስ ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ ዝተመዝገበ ሞት ልዕሊ 145 ሽሕ ኮይኑ፡ እኹል መርመራ ብዘይምክያዱ እዚ ቑጽሪ ክውስኽ ከም ዝኽእል ይእመን። ስለ ዝኾነ ድማ፡ መንግስታት ግልጽን \"ጠንካራ\"ን ስትራቴጂታት ምክልኻል እዚ ሕማም ግብራዊ ብምግባር፡ ዜጋታት ብቐሊሉ ካብ መልከፍቲ እዚ ቫይረስ ንነብሶም ክከላኸሉ ከም ዝኽእሉ ከገንዝቡ ይግባእ ኢሉ። \"እዚ ቫይረስ ምሳና ከም ዝነብር ክንርዳእ ይግባእ\" ዝበለ ዶክተር ርያን፡ እዚ ቫይረስ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክጠፍእ እዩ ወይ'ውን መድሓኒት ክርከቦ'ዩ ዝብል ዘይጭቡጥ ተስፋን ትጽቢትን ክውገድ ኣተሓሳሲቡ።","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/53400276"} {"headline":"ብሪጣንያ ክሰዐ ዜጋታታ ንምቁጽጻር ገለ መግብታት ከይሽየጡ ክትእግድ እያ","content":"መንግስቲ ብሪጣንያ “ሓንቲ ግዝኡ ሓንቲ ብናጻ ክንህበኩም ኢና” እናበላ ጥዕና ዘይህብ መግቢ ንዝሸጣ ትካላት ክእግደን ምዃኑ ኣፍሊጡ። እዚ ሓዲሽ ሕጊ ኣብቲ ልዑል መጠን ስብሕን ሽኮርን ዘለዎ መግብታት እውን ተግባራዊ ከምዝኸውን ብምሕባር፡ ኣብያተ መግቢ ናይ'ቲ ዘቕርብኦ መግቢ መጠን 'ካሎሪ' ዝገልጽ ጽሑፍ ንዓማዊለን ከቅርባ’ውን ክግደዳ እየን። መጠን ምክራሽ ዝውስኹ መግብታት መወዓውዒ ከይግበረሎም ዝኽልክል ሕጊ’ውን ኣብ መላእ ብሪጣንያ ተግባራዊ ኮይኑ ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒሰትር ቦሪስ ጆንሰን ነዚ ሕጊ “ኣብ ጥዕናና ከኸትሎ ዝኽእል ዕንወት ብምጉዳል ንገዛእ ነብስና ካብ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምክልኻል ዓቢ እጃም ክህልዎ’ዩ” ኢሉ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ክሰዐ ምስ መጠነ ሞት ኮቪድ 19 ዘለዎ ምትእስሳር እኳ እንተዘይገለጸ ሰብ ሞያ ጥዕና ግን ካብቶም ኣብ ጽዑቅ ክንክን ዝርከቡ እቶም 8 ሚእታዊት ክሰዐ ከምዘለዎም ብምግላጽ ካብ መላእ ህዝቢ ዓባይ ብርጣንያ 2.9 ሚእታዊት ንክሰዐ ዝተቓለዐ ምዃኑ’ዮም ዝገልጹ። እቶም ካልእ ዝውሰዱ ዘለዉ ስጉምትታት - ሰባት ክብደት ሰብነቶም ንኽንክዩ ዘተባብዕ ህዝባዊ ወፈራ - ሰብ ዕሹግ መግቢ ክምግብ ኣለዎዶ የብሉን ምኽሪ ዝህብ ኣካል ምቋም - ኣብ ሓደ ትካል ክሽየጡ ዝግበኦም መጠንን ዓይነትን መግብን መስተን ክትቆጻጸር ዘኽእል ኣገባብ ምትእትታው - ኣብ ኩሉ ዝሽየጥ መግብን መስተን መጠን ዓቀን ካሎሪ ክጽሓፎ ምስግዳድ ዝኾነ ትካል ኣብ ዝሸጦ መግንብ መስተን መጠን ኮሎሪ ክገብሩ ክግደዱ እዮም፡ እዚ ድማ ኣብ ኣብያተ መግቢ፡ እንዳ ሻህታትን ባራትን ተግባራዊ ክኸውን’ዩ። ቀዳማይ ሚኒሰትር ቦሪስ ጆንሰን ኣቀድም ኣቢሉ እውን ኣብ መግቢ ዝህሉ መጠን ጨውን ዘለዎ ነቀፌታ ከስምዕ ጸኒሑ’ዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ ኣብ ክፍሊ ጽዑቅ ክንክን ዝተዓዘቦ ነገራት ነዚ ውሳነ እዚ ክውስን ሓጊዝዎ ክኸውን ከምዝኽል እዮም ብዙሓት ዝዛረቡ። ቦሪስ ጆንሰን ኣብ ደይሊ ኤክስፕረስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ “ከም ዝበዝሐ ሰብ መጠን ክብደተይ ከጉድል ይደሊ ነይረ’የ፡ ብዙሕ’ውን ተቓሊሰ፡ ኣብዚ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከኣ እቲ ሚዛን ምጉዳል ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ክርድኣኒ ክኢሉ” ኢሉ። እዚ ተባሂሉ ዘሎ ኣብ ግብሪ እንተውዒሉ ኣብ ዓይነት ኣመጋግባናን ብዛዕባ መግቢ ዘለና ኣረዳድኣን ሱር ነቀላዊ ለውጢ ከምጽእ ይኽእል እዩ። መብዛሕትኦም ካብዞም ሕጂ ተግባራዊ ክኾኑ እዮም ዝብሃሉ ዘለዉ ሕግታት፡ ኣብ 2018 እዮም ክንደፉ ጀሚሮም። እቲ ቀንዲ ነገር ድማ እዚ ሕጊ እዚ መጀመርታ ክንደፍ ክጅምር እንከሎ ሰብ ትካላት ተቓውሞ ኣስሚዖም ስለዝነበሩ ሕጂ’ከ ከመይ ይርእይዎ ዝብል እዩ፡ ፈደሬሽን መግብን መስተን’ውን ልኡም ዝኾነ ግብረ መልሲ’ዩ ሂቡ ዘሎ። እቲ ንመግብታት ዝግበር መወዓውዕታት ክኽልከል ዝብል እማመ’ውን ምስ ናጽነት ናይ ሰባት ዝጻባእዶ ኣይኮንን ዝብሉ ሰባት ኣይተሳኣኑን። ዝበዝሓ ትካለት መስተ ነቲ መጠን ካሎሪ ምሕባር ዝብል ሕጊ ብጸጋ ተቐቢለንኦ ኣለዋ። ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰንን ካልኦት ዓቃባውያንን፡ ንገደብ ኣልቦ ናጽነት ምጥባቕ ገዲፎም ብዛዕባ ክሰዐ ንምዝራብ ለውጢ ካብ ኣርኣዩ፡ እቶም ወነንቲ ትካላት’ውን ለውጢ ከርእዩ ይኽእሉ እዮም። ዳይረክተር ህዝባዊ ጉዳይት ማሕበር ኣዋዓዋዕቲ፡ ስዩ እዩስተስ “ዘየድልን ዓቐኑ ዝሓለፎን ስጉምትታተ ክሰዐ ኣብ ምጉዳል ኣዝዩ ንኡስ ዓቕሚ እዩ ክህልዎ ዝኽእል” ብምባል ኣብ ትካልት መግቢ “ዓቢ ጫሌዳታት ዝፈጥር እዩ” ኢላ። ንሳ ብምስዓብ “ኣቐድም ኣቢሉ ንህጻናት ናብ ልዑል መጠን ስብሒ ከቃልዖም ዝኽእል መግቢ ከይነወዓውዕ ተኸልኪልና ኢና። ብዛዕባ ሽኮሮዊ መግብታት ዝግብር መወዓውዒታት እውን ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ብ70 ሚእታዊት ጎዲሉ ኣሎ፡ እንተኾነ ኣብ መጠን ክሰዐ ዘምጽኦ ለውጢ የለን፡ ስለዚ እዚ ሕጂ ተባሂሉ ዘሎ’ውን ንመጠን ክሰዐ ዘጉድል ኣይኮነን” ትብል። ካሎሪን ሕጽር ብዝበለ፡ ንሓደ ግራም ማይ ብሓደ ዲግሪ ሰሊሸስ ንምውዓይ ዘድሊ መጠን ጽዓት እዩ። እቲ ኣብ መግቢ ዝህሉ መጠን ካሎሪ ከኣ ብኪሎ ካሎሪን (1000 ካሎሪስ ) ዝዕቀን ኮይኑ፡ ብኣሃዝ ንምርድኡ 1 ኪሎ ግራም ማይ ብሓደ ዲግሪ ሰልሸይስ ንምውዓይ ዘድሊ መጠን ጽዓት ዝውክል እዩ። ከም ፍረታትን ኣሕምልትን ዝኣመሰሉ መግብታት ትሑት መጠን ካሎሪ እዩ ዘለዎም፡ ከም ምቁር ሕብስቲ፡ ብሽኮቲ ግን ልዑል መጠን ሽኮር ስለዘለዎም ልዑል መጠን ካሎሪ እዩ ዘለዎም። - ስብሒ 9 ካሎሪ ኣብ ሓደ ግራም - ኣልኮል 7 ካሎሪ ኣብ ሓደ ግራም - ፕሮቲን 4 ካሎሪ ኣብ ሓደ ግራም - ካርቦሃይድረት ዘለዎም መግብታት 3.75 ካሎሪ ኣብ ሓደ ግራም ኣብ መዓልቲ ልዕሊ እቲ ከነቃጽሎ እንኽእል መጠን ካሎሪ እንድሕር ኣዋህሊልና ድማ ክንክርሽ ንጅምር፡ ስለ'ዚ ኣብ እንምገቦ ዓይነት መግብታት ዘሎ መጠን ካሎሪ ምፍላጥ መጠን ክብደት ሰብነትና ንምቁጽጻር ክሕግዘና ይኽእል እዩ።","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53566399"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ዓዲ ጣልያን ኣብ እዋን በዓል ፋስጋ ኮሮናቫይረስ ከይላባዕ ተሪር ዕጽዋ ኣዊጃ","content":"ኣብ መዓልቲ ብማእከላይ ገምጋም 20 ሽሕ ሓዲሽ መልከፍቲ ተመዝግብ ዘላ ዓዲ ጣልያን ኣብ እዋን ብዓል ፋሲጋ ሰባት ተኣኻኺቦም ኮሮናቫይረስ ከይላባዕ ብምስጋእ ንሰለስተ መዓልቲ ዝቅጽል ተሪር ዕጽዋ ኣዊጃ። ዓደ ጣልያን ብሰንኪ ሳልሳይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኩለን ዞባታታ ኣብ ቀይሕ መስመር ከምዘለዋ እያ ትሕብር። ብመሰረት እዚ ንሰለስተ መዓልታት ዝቅጽል ኣዋጅ ዕጽዋ፡ እንትርፎ ንኣገዳሲ ስራሕ ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቓስ ናይ ሰባት ኣይክፍቀድን እዩ፡ ሰባት’ውን ኣብ ኣብቲ ጽባሕ ዝብዓል ፋሲጋ ልዕሊ ሰለስተ ኮይኖም ከይትኣኻኸቡ ተሓቢሩ ኣሎ። ኣብያት ክርስትያን ክፉታት ኮይነን መእመናን ነዚ በዓል ፋሲጋ ንምብዓል ካብ ዞበኦም ወጺኦም ከብዕልዎም ኣይክፍቐዶምን። ድሕሪ እዚ ንሰለስተ መዓልታት ዝቅጽል ዕጽዋ፡ ኩነታት ለብዳ ተራእዩ እቲ ኣዋጅ ክቋረጽ ወይ ክቅጽል ክውሰን እዩ። ሃገራት ኣውሮጳ እቲ ብኣውሮጳዊ ሕብረት ዝከፋፈለን ዘሎ ክታብት ከምቲ ዝተተለሞ ኣብ ግዚኡ ይበጽሐን ስለዘየሎ፡ ንዕጽዋ ከም ቀዳማይ ኣማራጺ ወሲደን እየን ዘተግብረኦ ዘለዋ። ኣብ ዓዲ ጣልያን ክሳብ ሕጂ 3.6 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ ልዕሊ 110,328 ሰባት ኸኣ ሞይቶም። ሓፈሻዊ ኩነታት ለበዳ ኮሮናቫይስ ዓዲ ጣልያንከ ከመይ ኣሎ? ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ዓዲ ጣልያን፡ ካብ ሃገራት ኣውሮጳ እታ ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ብኸቢድ ተጠቂዓ ዝነበረት ሃገር እያ። ለካቲት 2020 ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ዓዲ ጣልያን ዝርከቡ ጣልያናውያን ካብ ገዘኦም ከይወጽኡ ኣዋጅ ተመሓላሊፉ፡ እቲ ኣዋጅ ጽንሕ ኢሉ ናብ መላእ እታ ሃገር ልሒሙ። ዓሚ ከምዚ ሎሚ ኣብ 1 ሚያዝያ 2020 እታ ሃገር 23,634 መልከፍትን 501 ሞትን ኣመዝጊባ ነይራ ሕጂ ግን እቲ መልክፍቲ ናብ 3.6 ሚልዮን እቲ ሞት ኸኣ ናብ 110,328 ክብ ኢሉ። በዚ ሕጂ ወጺኡ ዘሎ ሓዲሽ ኣዋጅ ዕጽዋ፡ ኩሉ ዶኳኩን ዕጹው እዩ ክኸውን ኣብያተ መግብን እንዳ ሻህታትን ኸኣ ሰብ ገዚኡ ኣብ ገዝኡ ኮይኑ ዝብልዖ ቀረባት ክሸጣ ክኽእላ እየን። መንግስቲ ዓዲ ጣልያን ነዚ ተኣዊጁ ዘሎ ዕጽዋ ተግባራውነቱ ዝከታተሉን ንኽትግብር ዘገድዱን 70 ሽሕ ፖሊስ ከዋፍር ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። ብመሰረት ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ካብቶም 900 ሚልዮን ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ዝርከቡ ህዝቢ፡ 10 ሚእታዊት ብውሕዱ እታ ቀዳመይቲ ክታበት ከምዝተወግኡ ይገልጽ።","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56624811"} {"headline":"ልዕሊ ፍርቂ ካብ በጽሕታት ቻይና: ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ ኣለዎም'","content":"ኣብ ቻይና፡ ልዕሊ ፍርቂ ካብ በጽሕታት፡ ወይ'ውን ልዕሊ ፍርቒ ቢልዮን ሰባት ጠገለ ዝስኣነ ክብደት ከምዘለዎም ብመጽናዕቲ ተረጋጊጹ። ኣብ 2002 ኣብ ዝተገበረ ተመሳሳሊ መጽናዕቲ፡ 29 ሚእታዊት ካብ በጽሕታት ቻይና ሚዛኖም ልዕሊ ንቡር ምንባሩን ሕጂ ግን ናብ ልዕሊ 50 ምኢታዊት ምድያቡን ኣሻቒሉ ይርከብ። ቻይና ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ተመዝግቦ ብዘላ ቁልጡፍ ቁጠባዊ ዕብየት፡ ህዝባ ኣገባብ ኣነባብርኡ ከምዝተቐየረ'ዩ እቲ መጽናዕቲ ዘብርህ። መንግስቲ ቻይና ኣብ'ታ ሃገር ንዝረአ ዘሎ ብዝሒ ክሰዐ ንምጉዳል ኣብ ዘሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ሓዲሽ ውጥን ምውጽኡ ይዝከር። ልዕሊ ንቡር ሚዛን ሰብነት ንከም ሕማም ልቢ፡ ወቕዕን ሽኮርያን ከምዘቃልዕ ሓካይም ይሕብሩ። ኣብዚ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ሰብ ብሰሪ እቲ ሕማምን ዝተኣወጁ ዕጽዋታትን ምንቅስቓሱ ስለዝተደረተ፡ ጉዳይ ክሰዐ ኣዛራቢ ካብ ዝኾኑ ዛዕባተት ሓደ እዩ። ብኮቪድ-19 ካብ ዝተለኸፉ እቶም ኣቕዲሞም ልዕሊ ንቡር ሚዛን ዝጸንሖም ሰባት፡ ናይ ምሕዋይ ዕድሎም ዝተሓተ ከምዘኾነን ብጽኑዕ ከምዝሓሙን ጽብጻባት የረድኡ። ኮምሽን ሃገራዊ ጥዕና ቻይና ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ልዕሊ 50 ምኢታዊት ካብ በጽሕታት ቻይና፡ ልዕሊ ንቡር ሚዛን ሰብነት ከምዘለዎምን ካብዚኦም እቶም 16.4 ምኢታዊት ኣብ ደረጃ ክረሻ ከምዝበጽሑን ሓቢሩ። እቲ ጸብጻብ ቀንዲ ጠንቂ ኢሉ ካብ ዘቐመጦ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይምህላው'ዩ። ካብ ኩሎም በጽሕታት ቻይና፡ ትሕቲ ሓደ ርብዒ ጥራይ፡ ኣብ ሰሙን ሓንሳብ ኣካላዊ ምንቅሰቓስ ከምዝገብሩ እቲ ጸብጻብ ይሕብር። እቲ ጸብጻብ ከም ካልኣይ ምኽንያት ኢሉ ዘቕረቦ ነጥቢ፡ መንእሰያት እዚ እዋን፡ ስጋ ኣዘውቲሮም ከምዝበልዑን ኣብ ፍረታት ዘለዎም ሽውሃት ግን ዝወሓደ ብምዃኑን'ዩ ይብል። ኣብ ከተማ ሃርቢን ክኢላ ኣመጋግባን መኣዛዊ መግብን ዋንግ ዳን ንኤኤፍፒ ከምዝሓበሮ \"ዝበዝሑ በጽሕታት እዛ ሃገር ውሑድ ምንቅስቃስ'ዮም ዝገብሩ፡ ብዙሕ ጸቕጢ ኸኣ ኣለዎም\" ኢሉ። መጠነ ወሰኽ ልዕሊ ንቡር ክብደት ዘለዎ ሰባት፡ ኣብ ቻይና ጥራይ ኣይኮነን ተራእዩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት በደረጃ ዓለም'ውን ክውስኽ ጸኒሑ'ዩ። ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት፡ ትካል ጥዕና ዓለም፡ ብደረጃ ዓለም ብዝሒ ዝኸረሹ ሰባት ካብቲ ኣብ 1975 ዝነበረ ብሰለሰተ ዕጽፊ ከምዝወሰኸ ገሊጹ ነይሩ። ኣብ 2016 ኣብ ዝተገበረ ተመሳሳሊ መጽናዕቲ'ውን፡ 40 ምኢታዊት ካብ በጽሕታት ዓለም ልዕሊ ንቡር ሚዛን ከምዝውንኑን ካብዚኦም እቶም 13 ሚእታዊት ኣብ ደረጃ ክራሽ ከምዝበጽሑን ኣብ'ቲ እዋን ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ ሓቢሩ ነይሩ። ቐጠር እታ ዝበዝሑ ልዕሊ ንቡር ሚዛን ዘለዎም ህዝቢ ዘለዉዋ ሃገር ኮይና፡ ልዕሊ 70 ምኢታዊት ካብ ህዝባ ልዕሊ ንቡር ሚዛን ሰብነት ይውንን።","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55434350"} {"headline":"ኮቪድ-19፡ ኣብ ብራዚል ኣብ ሓደ መዓልቲ ልዕሊ 4000 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ብራዚል ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ልዕሊ 4000 ሰባት ሞይቶም። እዚ ከኣ እቲ ለበዳ ካብ ዝጅምር ኣብታ ሃገር ዝልዓለ ቁጽሪ ኮይኑ ተመዝጊቡ'ሎ። እቲ ቀንዲ ጠንቂ፡ ሓድሽ ዓይነት ቫይረስ ኣብታ ሃገር ብብዝሒ ኣስፋሕፊሑ ስለዘሎ ተባሂሉ እዩ ዝግመት። ኣብታ ሃገር ብምልኦም ሆስፒታላት ብተሓከምቲ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ መሊኦም ኣብ ገለ ከተማታት ሰባት ንኽሕከሙ ሪጋ እናተጸበዩ ይሞቱ ከምዘለዉ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ። ኣብ ብራዚል ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝሰዓበ ሞት ኣስታት 337 ሸሕ በጺሑ ኣሎ። እዚ ኸኣ ብደረጃ ዓለም ድሕሪ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይስራዕ። እዚ ኹሉ እናኾነ'ውን ፕረዚደንት እታ ሃገር ጀይር ቦልሶናሮ ቀንዲ ተቓዋማይ ዕጽዋ እዩ ኮይኑ ዘሎ። እቲ ፕረዚደንት ብዕጽዋ ዝስዕብ ቁጠባዊ ቅልውላው ልዕሊ ኮሮናቫይረስ ክቐትለና'ዩ ዝብል መርገጺ'ዩ ዘለዎ። ፕረዚደንት ጀይር ቦልሶናሮ ዕጽዋን ውሸባን ንሰባት ናብ ክሰዐን ኣእምሮኣዊ ጸቕጥን ከቃልዖም'ዩ ዝብል ሓሳብ'ውን ሓደ ካብቲ ዕጽዋ ከይእውጅን ሰባት ከይውሸቡን ንኸእምን ዘምጽኦም ሓሳባት እዩም። እንተኾነ ትማሊ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ 4195 ሰባት ድሕሪ ምሟቶም ዝሃቦ ርእይቶ የለን። ክሳብ ሎሚ ኣብ ብራዚል ልዕሊ 13 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ ኣብ ወርሒ መጋቢት ጥራይ 66570 ሰባት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ከምዝሞቱ ጸብጻብ ሚኒሰትሪ ጥዕና እታ ሃገር ይሕብር። ኣብ ዝበዝሓ ዞባታት እታ ሃገር ልዕሊ 90 ሚእታዊት ክፍሊ መእለዩ ጽኑዕ ሕሙማት ብሕሙማት ኮሮናቫይረስ እዩ ተታሒዙ ዘሎ። ብዙሓት ዞባታት እታ ሃገር ሕጽረት ቀረብ ኦክስጅንን ፈውሲ ቃንዛን ኣጋጢምወን ከም ዘሎ እየን ዝሕብራ፡ እዚ እናኾነ እንከሎ ግን ኣብታ ሃገር ብዙሓት ዞባታት ነቲ ተነቢሩ ዝነበረ መጠናዊ እገዳ ምንቅስቓስ ሰባት ከፍኵሰኦ'የን ዝርኣያ ዘለዋ። ዳይረክተር ኢኒስቲቱት ጥዕና እታ ሃገር ሚጕየል ላጎ ንኤፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ \"እቲ ቀንዲ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ዘረባ ጸረ ዕጽዋታት ፕረዚደንት ጀይር ቦልሶናሮ'ዩ\" ኢሉ። ንሱ ብምስዓብ \"ከንቲባታትን ኣመሓደርቲ ዞባታትን ብፖሎቲካዊ ድፍኢትን ብመደረ ናይ ፕረዚደንትን ተደፋፊኦም ዋላ ነታ ኣካላዊ ምርሕሓቕ ከተግብርዋ ኣይደልዩን'ዮም፡ ብዓቢኡ ኣታዊኦም ክጎድሎም ዘይደልዩ ሰብ ትካላት ከኣ ሰዓብቲ ሓሳባት ናይ ፕረዚደንት ጀይር ቦልሶናሮ'ዮም\" ኢሉ። ፕረዚደንት ጀይር ቦልሶናሮ ነቲ ቫይረስ ብምንእኣስን፡ ንክታበት ኮሮናቫይረስ ብምንጻግን እዩ ዝልለ። ከቢድ ነቐፌታ ምስ በዝሖ ግን ዓመተ 2021 ዓመተ ክታበት ብራዚላውያን ከምእትኸውን ደጋጊሙ ይዛረብ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ተኻይዱ ብዘሎ ክታበት፡ ካብ ህዝቢ ብራዚል 8 ሚእታዊት ጥራይ'ዮም ተኸቲቦም ዘለዉ። ክኢላ ተላባዕቲ ሕማማት ኢተል ማሰል ብወገና፡ ኣብ ብራዚል መስርሕ ክታበት ኣዝዩ ዚሒሉ ከምዘሎ ብምግላጽ \"በዚ ንኸዶ ዘለና ዝሕቱል ክታበት፡ ነዚ ብቅልጡፍ ዝላባዕ ዘሎ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ብውሕዱ ን20 መዓልታት ምሉእ ዕጽዋ ከድልየና'ዩ'' ኢላ። ኣብ ብራዚል 92 ዓይነታት ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኣዩን ካብኦም እቲ ፒ 1 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ከምዝርከቦም ሰብ መዚ ጥዕና እታ ሃገር ይጠቕሱ። እዚ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ብቅልጡፍ ዝላባዕ ከምዝኾነ ዝተኻየዱ መጽናዕትታት ይሕብሩ። እዚ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ዞባ ኣማዞን ንመጀመርታ ግዜ ምስ ተራኣየ፡ ናብ ርእሰ ከተማ እታ ዞባ ዝኾነት ከተማ ማናኡስ ቀልጡፉ ስለዝተላበዐ፡ ኣብታ ከተማ ኣብ ጥሪ 2021 ካብቶም ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም እቶም 73 ሚእታዊት በዚ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ እዮም ነይሮም።","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56658905"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ፖሊስ ኣየርላንድ ካብ ውሸባ ንዝሃደሙ ሰባት ይእልሹ ኣለዉ","content":"ፖሊስ ኣየርላንድ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣብ ሓደ ሆቴል ተወሺቦም ዝነበሩ ክልተ ሰባት ብቀዳም ካብቲ ሆቴል ሃዲሞም ብምውጽኦም ንዐኦም ዝደልዩ ፖሊስ ኣዋፊሩ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከተማ ደብሊን ተፍትሽ የካይዱ ኣለዉ። መደበር ዜና ኣርቲኢ ከምዝሓበሮ፡ ነቶም ከልተ ሳልሳዮም ዝነበረ ካብ ክራውን ፓላዛ ሆቴል ዝተባሃለ ሆቴል ዝሃደመ ሰብ ብፖሊስ ከምዝተረኸበን ነቶም ክልተ ሰባት ንምርካብ ተፍትሽ ይቅጽል ከምዘሎን ኣቃሊሑ። ኣየርላንድ ኣብ ዘውጽኣቶ ሓዲሽ ሕጊ፡ ካብ 33 ዝያዳ ብኮሮናቫይረስ ዝተጠቓዓ ሃገራት ካብ ዝበለተን ተመርሚሮም ነጻ ከምዝኾኑ ዝሕብር ወረቐት ዘይብሎም ገያሾ ኣብታ ሃገር ምስ ኣተዉ ን14 መዓልታት ግድን ክውሸቡ ዘገድድ ሕጊ ካብ ዓርቢ ጀሚራ ተግባራዊ ክትገብሮ ከምዝጀመረት ይፍለጥ። ነቲ ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኾነ ሕጊ ዘየተግበረ ሰብ 2000 ኢሮ መቕጻዕቲ ወይ ንሓደ ወርሒ ክእሰር ዘገድድ'ውን ኣብቲ ሓዲሽ ሕጊ ሰፊሩ ኣሎ። ኣብቲ እዞም ተወሺቦም ዝነበሩ ዝሃደምሉ ሆቴል ኸኣ ክልተ ሰሙን ንኽትውሸብ ኣቐዲምካ ዝኽፈል 1875 ኢሮ ክትከፍል ዘገድድ እዩ። ሰራዊት ምክልኻል ሪፓብሊክ ኣየርላንድ፡ ገያሾ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ደብሊን ምስ ኣተዉ፡ ምውሻብ ዘድልዮም እንተኾይኑ ዓጂቦምም ናብቲ ክውሸብሉ ዝተመደበ ሆቴል ክወስድዎም ሓላፍነት ተዋሂብዎም ኣሎ። ሪፓብሊክ ኣየርላንድ ምስ ግዜ ክመሓየሽ ይኽእል እዩ ኣብ ዝበለቶ ምስ ኮሮናቫይረስ ዝተሓሓዝ ሓዲሽ ሕጊ ኣብ ደቡብ ኣመሪካን ኣፍሪካን ዝርከባ ሃገራት ከምኡ'ውን ኣውስትራልልያ እየን። ኣብቲ ዝርዝር ኣትየን ዘለዋ ሃገራት ኸኣ ኣንጎላ፡ ኣርጀንቲና፡ ቦሊቭያ፡ ቦትዋና፡ ብራዚል፡ ብሩንዲ፡ ኬፕቨርደ፡ ቺለ፡ ኮሎምብያ፡ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኢኳደር፡ ፍረንች ጉዋና፡ ጉያና፡ ለሴቶ፡ ማላዊ፡ ኢስዋቲኒ፡ ሞሪሽየስ፡ ኮዛምቢክ፡ ናሚብያ፡ ፓናም፡ ፓራጓይ፡ ፔሩ፡ ሱሪናማ፡ ሲሸልስ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ታንዛንያ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኡራጓይ፡ ቬኔንዚወላ፡ ዛምብያን ዙምባቤን እየን።","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56554176"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ መመዘኒታት ከየማልኡ ምርመራ ኮቪድ-19 ንዝገብሩ ትካላት ኣጠንቂቓ","content":"ትካል ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ፡ ግቡእ መመዘኒታት ከየማልኡ ምርመራ ኮቪድ-19 ንዝገብሩ ትካላት፡ ካብ ተግባራቶም ክቁጠቡ ኣጠንቂቑ። እቲ ትካል ሎሚ ሰንበት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ መመዘኒታት ከየማልኡ ምርመራ ኮቪድ-19 ዝገብሩ ትካላት ምህላዎም ፈሊጠ’ለኹ ኢሉ። “ኣብ ቀረባ እዋናት፡ ‘ምርመራ ኮቪድ-19 ንገብር ኢና ውጽኢት ድማ ኣብ 6 ሰዓታት ንህብ ኢና’ እናበሉ መላለዪ ዝዝርግሑ ትካላት ከምዘለዉ ፈሊጥና ኣለና” ኢሉ ትካል ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ። እቲ ትካል፡ ናይ መምረመሪ ማእከላት ንምስፋሕ ይሰርሕ ምህላዉ’ውን ገሊጹ’ሎ። እቲ ትካል፡ ግቡእ መመዘኒታት ዘማልኡ ናይ ኮቪድ-19 ምርመራ ክገብሩ ፍቓድ ዝተውሃቦም ትካላት 15 ከምዝኾኑ ዝገለጸ ክኸውን ከሎ፡ ዝርዝሮም ድማ ኣብ ፌስቡክ ዘርጊሑዎ ኣሎ። ኢትዮጵያ፡ ዛጊድ ን ልዕሊ 2 ሚልዮን ሰባት ምርመራ ኮሮናቫይረስ ዝገበረት ኮይና፡ ልዕሊ 158 ሽሕ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ኣረጋጊጻ እያ። ሚኒስትሪ ጥዕና ዘውጸኦ ዕለታዊ መግለጺ ከምዘርእዮ፡ ዛጊድ 134,736 ሰባት ዝሓወዩ ኮይኖም፡ 2,354 ሰባት ድማ በቲ ሕማም ሞይቶም እዮም።","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56229658"} {"headline":"ብኮሮናቫይረስ ዝሓመመት ኤርትራዊት ገጣሚት ሳባ ኪዳነ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣላ?","content":"ገጣሚት ሳባ ኪዳነ፡ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፋ ንገዛእ ርእሳ ወሺባ ከም ዘላ ንቢቢሲ ተዛሪባ። ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልታት ኣቢሉ ምልክታት እቲ ሕማም ተርኢ ምንባራ ዝገለጸት ኣብ ፈረንሳ እትነብር ኤርትራዊት ገጣሚት ሳባ ኪዳነ፡ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ብመሰረት ትእዛዝ ሓኪም ክትውሸብ ከም ዝተገብረ ሓቢራ። ሳባ ኪዳነ፡ ብዛዕባ ዘላትሉ ኩነታትን ሰባት ክገብሩዎ ብዛዕባ ዝግባእ ጥንቃቐን ኣዛሪባትና ኣላ። ቢቢሲ፡ ገጣሚት ሳባ ኪዳነ፡ ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተለኸፍኪ ብኸመይ ክትፈልጢ ክኢልኪ? ሳባ ኪዳነ፡ እቲ ዝነበረኒ ምልክታት ንኣርባዕተ ሓሙሽተ መዓልቲ ተኸታቲተለዮ፤ ከምዚ ብዙሕ ከተድህበሉ ዘይትኽእል ምጽእ ክይድ ዝብል ሕማም ርእሲ፣ ድርቀት ጉሮሮን ንኻልእ ምኽንያት ዘላገብኽዎ ድኻምን ይስመዓኒ ነይሩ። ቀልጢፈ ንሓኪመይ ብዛዕባ ስምዒታተይ ቀጻሊ ይነግሮ ስለ ዝነበርኩ ግን፡ ጾም'ውን ስለ ዝኾነ ምስኡ ተሓዊሱ ከይኸውን ክገድፎ ሓቢሩኒ። ጸኒሐ እቲ ኩነታት እንተርኣኹዎ ግን፡ ብፍላይ ቃንዛ ጉሮሮ፣ ኣፍንጫ፣ ድኻም፣ ርግኣት ረኺብካ ኣትኲርካ ዘይምስራሕ ዝበሉ ዝርብሹ ስምዒታት ክስምዓኒ ጀሚሩ። ካልእ ኣብ ከባቢ ዓይነይ ብዙሕ የሕምመኒ ነይሩ፤ ከባቢ ግንባረይ'ውን የሕምመኒ ነይሩ እንተኾነ እዚ ምልክታት ናቱ ኣይመሰለንን ነይሩ። ብመሰረት ሓኪመይ ዝሃበነይ መብርሂ ግን እቲ ሕማም ዝተፈላለየ ምልክታት ከም ዘርኢ ነጊሩኒ። ሓኪም ኩሉ ምልክታት ምስ ርኣየ፡ ንካልኦት ንምዘይምልካምን ቀልጢፍካ ንምሕዋይን፡ ናይ ክልተ ሰሙን ተውሽቦ ኣእቲየኪ ኣለኹ ኢሉኒ፤ ተወሺበ ኽኣ ይርከብ። ቢቢሲ፡ እንታይ ዓይነት ጥንቃቐ ትገብር ኣለኺ? ሳባ ኪዳነ፡ ሓደ ካብ መከላኸሊ መገዲታት ምዝርጋሕ እቲ ሕማም ኣብ ሞንጎኻ ዝህሉ ርሕቐት ምፍላይ ስለ ዝኾነ ምስ ደቀይ ይኹን ካልእ ሰብ ርክብና ብራሕቒ ክኸውን ጌርና ኣለና። በቲ ሕማም ዝተለኸፈ ሰብ ምስ ሓኪሙ ከይተረፈ ብኣካል ኣይራኸብን፤ ኩሉ ምዕባለታትን ዕላላትን ብቴሌፎን'ዩ። ኩሎም ኣነ ዝትንክፎም ነገራት ድማ ብግዝኡ ብኣልኮሎ ብምጽራይ፣ ኣእዳወይ ብኣገባቡ ይሕጸብን መሸፈኒ ገጽ ይጥቀምን ኣለኹ። ብቐንዱ፡ እቲ ቫይረስ ክታበት ዘይብሉ ግን ድማ ነብስና ባዕሉ ክቐትሎ ዝኽእል ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ከኽእለኒ ብብዝሒ ፈሳሲ ይወስድን ውልቃዊ ጽርየተይ ይሕሉን ኣለኹ። ነብሰይ ቀልጢፉ ንክቐትሎን ንክስዕሮን ኣብ ምክትታል ድማ ይርከብ። ቢቢሲ፤ ብኸመይ ግን ነዚ ቫይረስ ክቃላዕ ክኢለ ኢልኪ ትግምቲ? ሳባ ኪዳነ፡ ሽሕን ሚኢትን ምኽንያታት ነይሮም፤ ሓደ ቖልዑት ኣለው፤ ኣደ ቖልዑ'የ። ዝሓለፈ ሰሙን እዮም ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻድ ደው ኣቢሎም፤ ስለዚ እቲ ቫይረስ ምስኦም እንተጸኒሑ'ውን፡ ቆልዑ ስለ ዝኾኑ ንሳቶም እናሰዓሩዎ ንዓኻ ከሕልፉልኻ ይኽእሉ'ዮም። በዚ ምኽንያት፡ ብዙሓት ስድራ ካብ ቖልዑ ክርሕቑ ይግበር ኣሎ። ካልእ፡ ብቐዳም ሸመተ ነይሩ፤ ቅድመ ምድላው ንክገብር ናብ ሸመተ ወጺአ ነይረ፤ ኣነባብራይ ባዕሉ ብዙሕ ኣብ ገዛ ኮፍ ምባል ስለ ዘይፎቱ ጥንቃቐ እናገበርኩ ብዙሕ ግዜ ናብ ደገ ይወጽእ ነይረ። እ . . . ናይ ህዝቢ ኣውቶብሳት'ውን ብብዝሒ ክጥቀም ይግደድ ነይረ። እዚ ኹሉ ጥንቃቐ 'የ ዝገብር ነይረ፤ ግን ድማ ኣጋጣሚ ኮይኑ ተጠቒዐ ኣለኹ። ቢቢሰ፡ ሕጂ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ጥዕና ኣለኺ? ሳባ ኪዳነ፡ ድኻም ኣለኒ፣ ሽውሃት የብለይን፣ ደሓን ዝብሎ ናይ ረስኒ ኩነታት ኣለኒ፣ ደቂሰ ምስ ጸናሕኹ ጉሮሮይ ይዕጾ፣ ብብዝሒ ዝስዕለሉ ግዜ'ውን ኣሎ። ከምቲ ግዜይ ክጥቀመሉ ዝደሊ ዝጥቀመሉ ሓይሊ'ኳ እንተዘይሃለወኒ ድሓን እየ። ቢቢሲ፡ እዚ ናይ ተውሽቦ ነገር፡ ሰባት ዚያዳ ስንባደ ከይፈጥረሎምን ናይ ተነጽሎ ስምዒት ከየማዕብሉን ይስጋእ'ዩ። ግዜኺ ብኸመይ ተሕልፍዮ ኣለኺ? ሳባ ኪዳነ፡ ከምቲ ዝለመድካዮ ብዙሕ ክትገብር ዘይምኽኣልካ ዝስምዓካ ነገር ኣሎ፤ ግን ሰብ ዘሐጉሶ ነገር ክፍትሽን መንፈሳዊ ጥንካረን ተሓድሶን ዝፈጥርሉ ነገራት ክገብርን ኣለዎ። ክጽሕፍ ዝኽእል እንተኾይኑ ምጽሓፍ፣ ዝስእል እንተኾይኑ ምስኣል፣ ብመሳርሒ ሙዚቃ ዝተዳለው ሙዚቃታት ምስማዕ፣ ከም እምነትካ ድማ መዝሙራት ምስማዕ የድሊ። ብወገነይ፡ ንነብሰይ ኣብ ተነጽሎ ከም ዘላ ስምዒት ንከይፈጥረላ ከም ናይ ድምጺ መጽሓፍ ምስማዕ፣ ሙዚቃን መዝሙራትን ምድማጽ፣ ምስ ደቀይ ድማ ዋላ ብቴሌፎን ይኹን ነዊሕ ዕላል የዕልል ኣለኹ። ካልእ ቅድሚ ሕጂ ዘይገበርኩዎም ነገራት ምስ ሓሸኒ ንክገብሮም ብጽሑፍ የስፍሮም ኣለኹ። ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልቲ ሓይለይ ክምለስ ተስፋ ይገብር፤ ተኽእሎ እውን ኣሎ። ስለዚ እዚ ኩነታት ከም ዝስገር ፈሊጥና፡ እዚ ናይ ተውሽቦ ግዜ ምስ ነብስና ናይ ምዝራብ ግዜ ክኸውን ጌርና፣ ንነብስና ናይ ምጥንካር ግዜ ምዃኑ ክስምዓና ኣለዎ።","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51941026"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ምሉእ ዓለም ክመሃሮ ዝደሊ ናይ ኮሌጀ ትምህርቲ","content":"ሓደ ሲሶ ህዝቢ ዓለምና ኣብ ገዝኡ ተወሺብሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ኣጸጋሚ ግዜ ብኸመይ ሕጉሳት ንኽኾኑ ናብ ሳይንስ ተመሊሶም ኣለው። ብ26 መጋቢት 2020 ጥራሕ 1.3 ሚልዮን ሰባት ብቀጥታ ሳይንስ ጥዕና ንክመሃሩ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ያሌ (Yale University) ተመዝጊቦም። ብዛዕባ ሳይንስ ክትሓስቡ ከለኹም፡ ናብ ሕሊናኹም ዝመጽእ ሓጎስ ወይ ሕጉስ ምዃን ዝብል ዘይክኸውን ይኽእል። ብፍላይ ኮቪድ-19 ካብ ዝመጽአሉ ኣትሒዙ ግን ዘይከሓድ ድልየት ህዝቢ ወሲኹ እዩ። ብመሰረት ዩኒቨርሲቲ ያሌ፡ ካብ መጀመርታ ወርሒ ታሕሳስ ክሳብ 26 መጋቢት፡ ካብ ኣሜሪካ ጥራሕ ዝተመዝገቡ ተመሃሮ ቁጽሮም ብ295 ሚእታዊት ዕብየት ኣርእዩ እዩ። ካብ ካናዳ፣ ህንድን ብሪጣንያንን ዝተመዝገቡ ተመሃሮ'ውን ብብዝሒ ኣለው። ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ብኣካልን ብኢንተርነትን [ኦንላይን] እትምህር ፕሮፌሰር ላውሬ ሳንቶስ ኣብ ናይ 300 ዓመት ታሪኽ እቲ ዩኒቨርሲቲ ዝለዓለ ብኢንተርነት ንምምሃር ተመሃሮ ዝተመዝገብሉ እዋን ከም ዝኸነ ብምግላጽ፡ ርብዒ እቶም ተመሃሮ ዝሕዝ ምዃኑ ትዛረብ። \"እቲ ዝገርም ነገር፡ አብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሳምንቲ ዝተርኣየ ነር'ዩ። ካብ መጋቢት 2018 ክሳብ መወዳእታ ለካቲት 2020፡ 500 ሸሕ ተመሃሮ ኢና መዝጊብና። ኣብዘን ሰለስተ ሰሙን እዚአን ግን ልዕሊ ዕጽፊ እዚ ቁጽሪ እዮም ኮይኖም\" ትብል። እዚኦም ካብ ሰራሕተኛታት ጥዕና ጀሚሩ ክሳብ ሰራሕተኛታት ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡዎም ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ስራሕ ዓለምን ደረጃን ዘለው ዝርከቡዎም ከም ዝኾኑ ገሊጻ። እታ ፕሮፌሰር፡ እቲ ልዑል ቁጽሪ ምዝገባ ተመሃሮ ኣብ እዋን ቅልውላው ንነገራት መፍትሒ ክህብ ካብ ምድላይ ዝነቅል ከምኡ'ውን ብዙሓት ሰባት ኣብ ገዝኦም ክዕጸው ብምኽኣሎም ዝተርኣየ ምዕባለ እዩ ክትብል ትገልጾ። ሕጉሳት ክትኮኑ ዝሕግዙኹም ማዕዳታት፡ 1. ነብሰናን ከባቢናን ምፍላጥ ንድሕረትን ንቕድሚትን ከይበልኩም ኣብ ውሽጢ ሰብነትኩም ዝስምዓኩም ዘሎ ስምዒት ምስትውዓልን፣ ኣብ ዙርያኹም ብዛዕባ ዝኸውን ዘሎ ነገር ንምፍላጥ ሓሙሽተ ደቓይቕ ውሰዱ። 2. ምስ ሰባት ጥቡቕ ዝምድና ምግባር ብዛዕባ ተሞኩሮኹምን ተሞኩሮኦምን፡ እንተኽኢልኩም ድማ ብዛዕባ ጽቡቕ ዝኸይድ ዘሎ ነገር ምስ ሰባት ኣዕልሉ። ካብ ጭንቀት ናጻ ምዃን ኣይከኣልን፤ ግን ድማ ንሓደ ሰብ ሎሚ መዓልቲ እንታይ ኣሐጒሱካ? ኣብ ገዛኹም ውዑይ ማይ ነይሩ'ዶ? ፍሉይ ስምዒት ዝፈጠረልካ ዘነቐዓቕሕ ምስሊ [ቪድዮ] እንታይ ነይሩ? ኢልኩም ምሕታት ትኽእሉ'ዶ? 3. ምምስጋን ተለማመዱ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ብኣገባብ ዝተፈጸመ ነገር እንታይ ነይሩ? መንከ ዓብዪ እጃም ነይሬዎ? ዝብል ጽሓፉዎ። ሓሓሊፍኩም ድማ እቲ ዝበላዕኹምዎ ወይ ዘሐጎሰኩም ነገር በዓልቲ ቤትኩም ወይ ጎረበትኩም ዘይኮነ፡ ሓደ ዘይትፈልጡዎ ሰብ ዝገበሮ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ኣብዚ ግዘ፡ ናይ ሰብኣውነት ስምዒትኩም ከተዕብዩ ምኽኣል ኣገዳሲ'ዩ፤ እዚ ድማ ከም ሓደ ማሕበረሰብ ካብ ሓደ ዘጸግም ኩነታት ንምውጻእ ዘለኩም ዓቕሚ እተለልይሉ ክኸውን ይኽእል። ተመራመርቲ ሕጉስ ህይወት ዝኾኑ ሙሁራት ባህሪ ሕጉሳት ሰባት እንተጽንዑ፡ ሕጉሳት ዘይኮኑ ሰባት ድማ ተመሳሳሊ መገዲ ተጠቒሞም ክሕጎሱ ይኽእሉ'ዶ ዝብል ኣንፈት የጽንዑ። ፕሮፌሰር ሳንቶስ፡ መሰረት ዝበዝሓ ሕጉሳት ከይንኸውን ዝገብሩና ነገራት ዝተጋገየ ርድኢት ምዃኑ ትገልጽ። \"ሕጉስ ህይወት ብዘለና ገንዘብ ወይ ቁሳዊ ሃብቲ እንረኽቦ ይመስለና። ናተይ ተመሃሮ ጽቡቕ ውጽኢት ማዕረ ሓጎስ እዩ ኢሎም ይሓስቡ። እንተኾነ፡ ዘካየድናዮም መጽናዕታ እቶም ምኽንያታት እዚኦም ከም ዘይኮኑ የመላኽቱ\" ትብል። ስለዚ፡ ሰባት \"ንሕማቓት ክልሰ ሓሳባት ዝህቡዎ ቦታ ንከይዓቢ\" ኢና ብዛዕባ ሓጎስ ንምህር ኢላ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ለበዳ ዝርኣየሉአ እዋን \"ሰባት ብሓቂ ጽቡቕ ህይወት ንክህልዎም ዘኽእሉዎም ድልየታት ኣብ ምእራም ኢና ነተኩር\" ኢላ። ተመራማሪት ስነ ኣእምሮ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርኒያ ኤሚሊያና ሲሞን-ቶማስ፡ እቲ ዓብዪ ጸገም ዝኾነ ቅልውላው እንተጋጥም ክስዕብ ብዛዕባ ዝኽእል ነገር ርግጸኛ ዘይምዃን እዩ ትብል። ስርዓት ነርቭ ሰብነትና፡ ሓደ ነገር እንተጋጥም ኣብ ከባቢና ምስ ዘለው ነገራት ዝራኸበሉ መገዲ ክእልሽ ብዝገብሮ ኩነታት ዝተሃነጸ'ዩ ኢላ፤ ከም ኮቪድ-19 ዝበለ ብፍጥነት ዝቀያየር ቅልውላው ምስ ዘጋጥም ግን እዚ ኣጸጋሚ ይኸውን። በዚ ምኽንያት ሰባት፡ ናብ ስራሕ ክኸይድ'ዶ ይኸውን? በቲ ሕማም ክልከፍ ተኽእሎ'ዶ ይህሉ? ስድራይ እንተሓሚሞም ንምሕጋዝ ዓቕሚ ክረክብ ድየ? ብዝብሉ ጥርጣረታት ይስዓሩ። እዚ ሕማም ድማ፡ ናይ ሰባት ምርኻባት ብኣካለዊ ምርሕሓቕ ክድረቱ ስለ ዝገበረ፡ ብጭንቀትን ጥርጣረን ክትውጠር ናይ ምግባር ተኽእልኡ ዓብዪ እዩ። ስለዚ እንታይ ኢና ክንገብር ዘለና? \"እቲ ደስ ዘብል ዜና እዚ ብ1918 ዝነበረ ጉንፋዕ ኣይኮነን፤ ምስ ሰባት ከራኽና ዝኽእል ቴክኖሎጂ ኣለና እዩ። ብኣካል እንተዘይኮነ'ውን ኣብ ትኽክለኛ ሰዓት ግን ናይ ሰባት ሰሓቕን ስምዒታቶምን ክንርእዮ ንኽእል፤ ንርከብ'ውን\" ትብል ፕሮፌሰር ሳንቶስ። ኣብ ከምዚ ሕጂ ምዕጻው ምንቅስቓሳትን ካብ ገዛኻ ዘይምውጻእን ዝበሉ ኣጋጣሚታት፡ ሰባት ከም ዝተርሓሓቑ ጥራሕ ንከይሓስቡ ዝገብሩዎም መገዲታት ብምጥቃም ድማ እቲ ጊዜ ንክሓልፉዎ ሰብ ሞያ ይምዕዱ። ዛንታ ኣብ ተውሽቦ ኮይኖም ብመስኮት ተቐልቒሎም ዝደርፉ፣ ሰሰናዩ ዝምነዩ ጥልያናውያን ርእሰ ዜና ዓለም ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ብሕታውነቶም ንክርስዑን ተስፋ ንከሕድሩን ይገብር ካብ ዘሎ ፍጻሜታት እዚ ዓለም ኮይኑ ይጥቀስ።","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/52075687"} {"headline":"ዘይተመጣጠነ መግቢ ተመጊቦም ዝዓበዩ ብ20 ሴንቲ ሜትር ዝሓጸሩ’ዮም - መጽናዕቲ","content":"ዘይተመጣተነ መግቢ በሊዖም ዝዓበዩ ህጻናት ምስቶም ጽቡቕ ዝበልዑ መዛንኦም ብምንጽጻር ኣብ ቁመቶም ብ20 ሴንቲ ሜትር ከም ዝሓጽሩ ሓደ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ። እቲ መጽናዕቲ ኣብ 2019 ደቂ 19 ዓመት እቶም ዝነውሑ ኣብ ሆላንድ (183.8 ሴንቲ ሜትር)፡ ተመሳሳሊ ዕድመ ዘለዎም እቶም ዝሓጸሩ ከኣ ኣብ ቲሞር ላስተ (160.1 ሴንቲ ሜትር) ከም ዝርከቡ የብርህ። እዚ ኣብ ላንሰት ዝተሓተመ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ዓለም ዝርከቡ ህጻናትን ኮተቴን ኣብ ቁመቶምን ሚዛኖምን መጽናዕቲ ብምክያድ ዝተመጣጠነ መግቢ ኣብ ምውሳኽ ቁመት ዓቢ ጽልዋ ከም ዘለዎ ሰብ ሞያ ከረጋግጹ ክኢሎም። እቲ መጽናዕቲ ዘካየደ ጉጅለ ካብ 1985 ክሳብ 2019 ኣብ ዝነበረ ግዜ ካብ 5 ክሳብ 19 ዝዕድሚኦም ልዕሊ 65 ሚልዮን ህጻናትን ኮተቴን መጽናዕቲ ኣካይዱሎም። በቲ ዝተረኸበ ውጽኢት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብን ማእከላይን ኣውሮጳ (ብዓል ሆላድን ሞንቴነግሮን ዝርከበአን ሃገራት) ዝርከቡ ህጻናት እቶም ዝነውሑ እዮም። ብኣንጻሩ ኣብ ደቡብን ደቡባዊ ምብራቅን ኤስያ፣ ላቲን ኣሜሪካን ምብራቅ ኣፍሪቃን ዝርከቡ ከኣ ብማእከላይ ገምጋም እቶም ዝሓጸሩ እዮም። እቲ መጽናዕቲ ብተወሳኺ እቲ መጽናዕቲ ካልእከ እንታይ ኢሉ? እቲ መጽናዕቲ ንቁመትን ክብደትን ብምንጽጻር ኩነታት ጥዕና ግምት ዘውህብ BMI እውን ኣብቲ መጽናዕቲ ኣካቲትዎ’ዩ። እቶም መጽናዕቲ ዘካየዱ ጉጅለ ዝዓበየ BMI ዘለዎም ህጻናት እቶም ኣብ ሰለማዊ ውቅያኖስ ዝርከባ ደሴታት፡ ማእከላይ ኤስያ፡ ኣመሪካን ኒውዝላድን ዝነብሩ ህጻንት ኮይኖም ከም ዝጸንሕዎም የነጽር። ብኣንጻሩ ደቂ 19 ዓመት ኮይኖም ዝተሓተ BMI ዘለዎም ከኣ ኣብ ደቡብ ኤስያ ዝርከብ ሃገራት ዝነብሩ’ዮም ይብል እቲ መጽናዕቲ። እቶም ምናዕቲ ዘካየዱ ጉጅለ ኣብ ሞንጎ እቶም ዝለዓለን ዝተሓተን BMI ዘለዎም ናይ 25 ኪሎ ግራም ፍልልይ ከምዘሎ ብምሕባር ኣብ ገለ ሃገራት ደቂ 5 ዓመት ህጻናት BMI ናቶም ኣብ ጽቡቕ ጸኒሑ ደቂ 19 ዓመት ምስ በጽሑ ልዕሊ ሚዛን ከምዝኾኑ ውጽኢት እቲ መጽናዕቲ ከምዘርኢ ይገልጹ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ወለዲ ንደቆም ናብ ዕድመ ኮተቴ ምስ ብጽሑ ኣብ ኣመጋግብኦም ስለዘይከታተልዎም ከምውጽኢቱ ዝሰዓበ መኳኑ ይገልጹ።","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54836524"} {"headline":"\"ሓኪም ዝጸሓፎ ሕሙም ከንብቦ ምሉእ መሰል ኣለዎ\"፡ ዶክተር ናሆም ግሩም","content":"ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብ ትካል ጥዕና ምኻድኩም ኣይተርፍን። ንቀሊል ሕማም ርእሲ ኾነ መደቀሲ ሒዝካ ንምሕካም፡ 'ኢዱ ምሱል'ዩ' ዝተብሃለ ዶክተር ናብ ዘለዎ ምኻድ ግድን ዝኾነሉ ኣጋጣሚ'ውን ኣይስኣንን። 'ንሕማም ኢደይ ዝህብ ኣይኮንኩን' እንተኢልኩም'ውን፡ ሓደ መዓልቲ ምኻድኹም ኣይተርፍን። ዝኾነ ኾይኑ ናብ ሓኪም ኬይድኩም። \"ተምላስ ኣለኒ . . . ርእሰይ ጭርውርው ይብለኒ'ሎ . . . ሑቖይ ኣብ ክልተ ከም ዝተገምዐ ቓንዛ በርቲዑኒ . . . \" ምስ እትብሉዎ፡ ካብ ጣውልኡ ሓንቲ ጻዕዳ ወረቐት ስሕብ ኣቢሉ፡ ጽሕትር ጽሕትር ኣቢሉ ዝኾነ ነገር ክጽሕፍ ተዓዚብኩም ትኾኑ። እዚ ጽሑፍ ዝኸደሉ ቦታ ክፈላለ ይኽእል፤ ናብ ፋርማሲ ወይ ቤተፈተነ፣ ኣልትራሳውንድ፣ ራጂ . . . ኮታ በቲ ናይ ሕማም ዓይነት ይውሰን'ሞ የድሊ'ዩ ዝበሎ ይጽሕፈልኩም። ምንባብ ስለ እትኽእሉ ወይ ዝተምሃርኩም ሰባት ስለ ዝኾንኩም ጥራሕ፡ እንታይ ኮን ኢሉኒ? ኢልኩም ከተንብቡ ኣዒንትኹም ኣለሻ ዝጀመራሉ መዓልቲ ትዝክሩ'ዶ? ዋላ ዝተምሃርካ እንተኾንኻ ግን፡ ጽሑፍ ኢድ ሓደ ዶክተር ከተንብብ ኣይትኽእልን፤ ሚስጢር ይኾነካ። ብምንታይ ቋንቋ ድዩ ጽሒፉዎ? ክትብሉ ትኽእሉ። ኣብ ሃገርና [ኢትዮጵያ] ሓካይም ብኢንግሊዘኛ'ዮም ዝጽሕፉ። ስለምንታይ ግን ናይ ኢድ ጽሑፍ ሓካይም ዘይንበብ? መምህርን ሓኪምን ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ዶክተር ናሆም ግሩም፡ \"ናተይ ጽሑፍ ስለ ዝንበብ ከም ሓኪም ዘይቖጽሩኒ ሰባት ኣለው\" ይብል። ሓደ ተሓካሚ ክሕከም ኢሉ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝምርምሮ ሓኪም ኮፍ ካብ ዝበለላ ሰዓት ጀሚሩ፡ ርእስኹም ደፊእኹም ግን እንታይ ኢኹም ትጽሕፉ? ኢልናዮ። ዝተፈላለዩ ሰባት ክሰማምዕሉ እንተዘይክኣሉ'ውን ካብ ካልኦት ናይ ስራሕ ዓውዲታት ከም ሓኪም ዝጽሕፍ የለን ኢሉና። \"ዶክተር ጋዜጠኛታትከ?\" ዘስዓብናሉ ሕቶ'ዩ። [ስሓቕ]፤ ሓደ ሓኪም፡ ንሓደ ተሓካሚ ሕክምና ምስ ገበረሉ ዝሰርሖም ስራሕትን ዝተዘራረቡዎን ኩሉ ጽሒፉ መረዳእታ እቲ ተሓካሚ ከቐምጥ ስለ ዘለዎ'ዩ ኢሉና። \"ንሓደ ሕሙም ኣገልግሎት ክህብ ዝወዓለ፤ ዝተዘራረቦ ብሙሉኡ ብኣግባቡ መዝጊቡ እንተዘይኣቐሚጡዎ ኣግልግሎት ከም ዘይሃበ'ዩ ዝቑጸር\"። በዚ መሰረት፡ ኣብ መዓልቲ ን50 ሕሙማት ኣገልግሎት ክህብ ዝወዓለ ሓኪም፡ ታሪክ 50 ተሓከምቲ ክጽሕፍ ይውዕል ማለት'ዩ። ደራሲ፡ እዚ ኹሉ ታሪክ ክንደይ መጽሓፍ መውጽአሉ? ናትና ሓሳብ'ዩ። ዶክተር ናሆም ግን ሞያዊ መብርሂኡ ይቕጽል። \"ብዝሒ ብዝጽሓፍና ኣብ ኣጻብዕትና ዝርከቡ ኣናኣሽቱ ነርቭታት ስለ ዝደኽሙ ከም ዘይንበብ ኮይኑ ክጽሓፍ ይኽእል'ዩ\" ምስ በለ፡ ብተመሳሳሊ ፍጥነት ምጽሓፍ ንርእሱ ናይቲ ሓኪም ጽሑፍ ብቐሊሉ ከይንብበ ካብ ዝገብሩ ምኽንያታት ምኻኑ ይጠቅስ። ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሓደ ሓኪም ንብዙሓት ሰባት ኣገልግሎት ዝወሃበለን ሃገራት፡ እቲ ሓኪም ታሪክ ነፍሲ ወከፍ ተሓካሚ ናይ ምጽሓፍ ግዴታ ኣለዎ። ሪጋ ኣብ ዝበዝሐሉ እዋን ድማ፡ ንሓደ ሕሙም ምስ ሓከምኻ ነቲ ኻልእ ንምግልጋል ትጓየ። ናይ ኢድ ጽሑፍ ድማ ኣይኮነን'ዶ ተሃዊኽካ ሃዲእኻ'ውን ጥንቓቐ ዝደሊ'ዩ። ዶክተር ናሆም በዚ ሓሳብ ይሰማማዕ፤ \"ካብዚ ብዝብገስ'ዩ ጽሑፍ ሓካይም ዘይንበብ ዝኸውን ወይ ዝሓምቕ\" ኢሉ። ስለ ምንታይከ ካብቲ ዓውዲ ወጻኢ ዘለው ሰባት ዘየንብቡዎ? \"ሳይንስ ሕክምና፡ ዓርሱ ዝኸኣለ ናይቲ ሞያ ቋንቋን ቃላትን ስለ ዘለዎ፡ ሰባት እንጽሕፎ ጽሑፍ ዘይንበብ ይመስሎም፤ ነርስን ፋርማሲስትን ግን ብቐሊሉ ከንብቡዎ ይኽእሉ'ዮም\" ይብል ዶክተር ናሆም። ብተወሳኺ ይብል ዶክተር ናሆም፡ ናይ ሕክምና ሳይንስ ብሓጸርትን ኣሕጽሮተ ቃልን ዝግለጹ ብዙሓት ኣበሃህላታት ስለ ዘለውዎ ሓኪም ዝጸሓፎ ጽሑፍ ብኻልኦት ክንበብ ከጸግም ይኽእል'ዩ። ንኣብነት፡ BID ዝብል ኣሕጽሮተ ቃል፡ እዚ መድሓኒት ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ውሰድ ዝብል ትእዛእ ሓኪም ዝትክእ'ዩ ክብል እቲ በዓል ሞያ የረድእ። ይኹን'ምበር፡ ሓደ ሕሙም ብዛዕባ ዘለዎ ዓይነት ሕማም፣ ዝተኣዘዘሉ መድሃኒት፣ ውጽኢት መርመርኡ ናይ ምፍላጥ ሙሉእ መሰል ኣለዎ፡ ዝብል ዶክተር ናሆም፡ ናይ ሕክምና ሞያ ዘለዎም ሰባት'ውን ጽሑፍ ሓደ ሓኪም ምንባብ ኣብዩዎም መድሓኒት ዝተኣዘዘሉ ወረቐት ተመሊሱ ናብቲ ዶክተር ዝመጽአሉ ኣጋጣሚ ከም ዘሎ የብርህ። \"ሓኪም መጺኡ ክሳብ ዘንብበሎም፡ ሓደ ተሓካሚ መድሓኒት ከይወሰደ ዝጸንሐሉ ግዜ እዝክር\"። ሕጂ'ዩ እምበኣር ጉድ ዝብሃል . . . ንምኻኑ፡ ኣብ ናይ ሓካይም ናይ ኢድ ጽሑፍ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣሎ'ዶ? ኣብ ህንዲ፡ ናይ ሓካይም ናይ ኢድ ጽሑፍ ኢድ ሓካይም ክንበብ ብዘይምኽኣሉ ተተሓሒዙ፡ 60 ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ህይወቶም ከም ዝሓለፈ ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ መጽናዕቲ የመልክት። እዚ መጽናዕቲ ኣብ ሃገርና እንተዝስራሕ ዝርከብ ውጽኢት እንታይ ክኸውን ይክእል? ብመንጽር ስነ ምግባር ሕክምና፡ ጉዳይ ናይ ኢድ ጽሑፍ ከመይ ይርአ? ዶክተር ናሆም፡ \"ስነ ምግባር ሕክምና፡ ሓደ ሓኪም ዝጽሕፎም ጽሑፋት ኹሉ ሰብ ከንብቦ ብዝኽእል ክኸውን ከም ዘለዎ ይጠቅስ\" ኢሉና። ንሕና'ውን በዚ ንኣምን ኢና፤ \"ካልኦት'ውን እዚ ኢና ንምዕዶም\" ኢሉ። ኣብ ዝዓበያ ሃገራት፡ ሓደ ተሓካሚ ዘለዎ ኩነታት ጥዕና ኣንቢቡ ንክርዳእ ብኮምፒዩተር ተጻሒፉ ይወሃቦ። ኣብ ኢትዮጵያ ግን፡ ምስቲ ዘሎ ቑጽሪ ሕሙማትን እቲ ናይ ሕክምና መሓውርን ብኸምዚ ዝበለ መገዲ ጽሑፍካ ምድላው ኣጸጋሚ ምኻኑ ዶክተር ናሆም ይዛረብ።","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50889259"} {"headline":"ኮቪድ 19፡ ኣብ ኣመሪካ ራብዓይን ዝሓየለን ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከይመጽእ ይስጋእ","content":"ኣብ ኣመሪካ፡ እዚ ሓዲሽን ብቅልጡፍ ዝላባዕን ዓይነት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ራብዓይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከኸትል ከምዝኽእል ክኢላታት ጥዕና የጠንቅቑ ኣለዉ። ላዕለወይቲ ሓላፊት ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣመሪካ ዶክተር ሮቸል ዋለንስካይ እዚ ሕጂ ዝምዝገብ ዘሎ ሓዲሽ መልከፍቲ ኣዝዩ የሻቕላ ከምዘሎ ገሊጻ ኣላ። ንሳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣመሪካ መዓልታዊ ኣስታት 70000 ሓዲሽ መልከፍቲ ይምዝገብ ምንባሩ ብምጥቃስ፡ “እዚ ቁጽሪ እዚ ኣዝዩ ልዑል’ዩ” ኢላ። ንሳ ብምስዓብ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን መዓልታዊ ኣስታት 2000 ብሰንኪ ኮቪድ ዝሰዓበ ሞት ይምዝግብ ምንባሩ’ውን ኣስሚራትሉ። ዶክተር ሮቸል ዋለንስካይ፡ ብሰኑይ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እዚ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ነቲ ጽቡቕ ምምሕያሻት ዘርኢ ዘሎ ክታበትን ንህዝብን ስግኣት ምኳኑ ብምምልካት ዝበርተዐ ራብዓይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከየኸትል ዘለዋ ስግኣት ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝተፈላላዩ ብቅልጡፍ ዝላብዑ ብዙሓት ሓደሽቲ ዓይነታት ኮሮናቫይረስ እኳ እንተሃለወ ተመራመርቲ ግን ኣብ ውሑዳት እዮም ኣተኵሮም ዘለዉ። ብመሰረት ተገይሩ ዘሎ መርመራታት እቶም መጀመርታ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ብራዚልን ዝተረኸቡ ዓይነታት ኮሮናቫይረስ እቶም ብቅልጡፍ ዝላብዑ ኮይኖም ተረኺቦም ኣለዉ። እቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተራኣየ ቢ.1.1.7 ዝተሰመየ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣብ ኣመሪካ ብዙሕ መልከፍቲ ከስዕብ ከምዝኽእል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣመሪካ ብኣግኡ ገሚተሞ ኣለዉ። ላዕለወይቲ ሓላፊት ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣመሪካ ዶክተር ሮቸል ዋለንስካይ እዚ ኣንጠጥዩ ዘሎ ስግኣታት “ኣዝዩ የሻቕላ” ከምዘሎ ብምምልካት ህዝቢ ኩሉ መምርሒታት ሰብ ሞያ ጥዕና ክኽተል ማዕዳኣ ለጊሳ። ብመሰረት ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝተዘርገሐ ሓበሬታ፡ ኣብ ኣመሪካ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 28 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ ኣብታ ሃገር ልዕሎ ፍርቂ ሚልዮን ሞት ኸኣ ተመዝጊቡ ኣሎ። ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝነበረ ብዙሕ መልከፍቲ ክታበት ምስ ተጀመረ ብቅልጡፍ ክጎድል ተራእዩ እዩ። እንተኾነ ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣመሪካ፡ ኩሉ ሰብ ክሳብ ዝኽተብ እዚ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ብርቱዕ ስግኣት ክኸውን ናይ ግድን ምኳኑ እዩ ዝገልጽ። ኣብ ኣመሪካ ክሳብ ሕጂ 2463 ሰባት በዚ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ኣለዉ፡ ብውሕዱ እቶም 2400 ኸኣ በቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተራኣየ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ምኻኖም ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣመሪካ የረድእ። እንተኾነ እቲ ቁጽሪ ካብቲ ተባሂሉ ዘሎ ዝተዓጻጸፈ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝግመት። ተመራመርቲ፡ እዚ ዝውሃብ ዘሎ ክታበታት ነዚ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ’ውን ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዘለዎ’ዮም ዝሕብሩ። ክሳብ ትማሊ ብዝንበረ ጸብጻብ፡ ኣመሪካ ልዕሊ 76 ሚልዮን ካብ ህዝባ ክትከትብ ክኢላ ኣላ፡ እዚ ኸኣ ብብዝሒ ዝኸተበቶም ዜጋታታ ካብ ዓለም ቀዳመይቲ ዝሰርዓ እዩ። ምስ ብዝሒ ህዝቢ ብምንጽጻር ግን ኣመሪካ ንዓባይ ብርጣንያ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን እስራኤልን ተኸቲላ ኣብ ራብዓይ ደርጃ እያ ትስራዕ። ካብቶም ኣብ ኣመሪካ ዝተኸተቡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕን ብዓልቲ ቤቱ ማላንያ ትራምፕን ይርከብዎም። ክልቲኦም ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዋይት ሃውስ እዮም ተኸቲቦም። ኣብ ኣመሪካ ክሳብ ሕጂ ክታበታት ሞደርናን ፋይዘርን ኣብ ጥቅሚ ክውዕሉ እንከለዉ፡ እቲ ሓንሳብ ጥራይ ዝውሃብ ክታበት ጆንሶን ኤንድ ጆንሶን ኸኣ ኣብ ጥቅሚ ክውዕል ብቀዳም ምሉእ ፍቃድ ረኺቡ ኣሎ።","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/56249243"} {"headline":"ዓይነት-2 ሕማም ሽኮርያ ፡ ምንካይ ክብደት ኣካላት ሕማም ሽኮርያ ንምቁጽጻር ይሕግዝ","content":"እታ ኢንሱሊን እትጭንጉዕ ክፍሊ ኣካላትና [ጣፍያ] ሽግር ምስ ኣማዕበለት ኢዩ ዓይነት-2 ሕማም ሽኮረያ ዝግሃድ። ብዝኾነ እቲ ኣብ ዓለም ከም ሽግር ክርአ ዝጸንሐ ሕማም፡ ክብደት ኣካላትና ብምንካይ ነቲ ሕማም ክንቆጻጸሮ ከምንኽእል እዚ ሕጂ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ብግብሪ ኣርኢዩ ኣሎ። እቶም እዚ ሕማም ዘለዎም ድማ ነዚ ዝተዋህበ ምዕዶ ብምትግባር ነቲ ሕማም ነበረያ ነበረ ንግበሮ። ኣብ መዓልቲ 850 ካሎሪ [ሓይሊ ዝህብ መግቢ] ዝዓቐኑ መግቢ ንሰለስተ ኣዋርሕ ብምምጋብ ክብደት ኣካላትካ ክትንክን ሕማም ሽኮርያ [type-2]ብውሕዱ ንኽልተ ዓመት ክትቆጻጸሮ ክምዝክኣል ዝተግብረ መጽናዒቲ ኣሚቱ። ካብቶም መጽናዕቲ ዘተኻየዱሎም ሕሙማት፡ ኣብቶም ሓደ ሲሶ እቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ውጽኢታዊ ከምዝነበረ ናይ ሕክምና ክኢላታት ሓቢሮም። እቲ ሕጂ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየደ ስርሓት ዝርምርኮስ ኮይኑ፡ምንካይ ክብደት ኣካላትካ ቀንዲ ፍታሕ ምቁጽጻር ሕማም ሽኮርያ ከምዝኾነን ንገለ እዋን`ውን ካብ ኣፋውስ ምጥቃም ይገላግለካ። እቲ ዓይነት-2 ዝኾነ ሕማም ሽኮርያ፡ ንምሉእ መዋእልካ ምሳኻ ዝነብርን ዝምዕብልን ሕማም ኢዩ ዝብሃል ዝነበረ ኣጠማምታ፡ እቲ ሕጂ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዝበደሆ ገለ ክኢላታት ገሊጾም። እቲ ዓይነት-2 ዝብሃል ሕማም ሽኮረያ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ካብ 16 ኣብጽሕ ንሓደ ከምዘጥቅዕ ይግለጽ። `ኣብ 12 ሳምንታት 17 ኪሎ ነኪየ` ኣብ ከባቢ ግላስጎ [ዓዲ እንግሊዝ] ዝነብር ወዲ 58 ዓመት፡ ጆ ማክሶርሊ፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ዓይነት-2 ሕማም ሽኮርያ ከምዘለዎ ብመርመራ ምስተረጋገጸ፡ እቲ ዝተኣዘዘሉ ክልተ ዓይነት ኣፋውስ ነቲ ሕማም ክቆጻጸሮ ኣይከኣለን። \"ስለዚ ነቲ ኣፋውስ ንዘልኣለም ብቐጻሊ ክወስዶ ምዃነይ ኢዩ በሪሁለይ\" ክብል ጆ ንመደበር ዜና ቢቢሲ ሓቢሩ። ነቲ ፍሉይ መግቢ፡ ኣስታት ክልተ ካሎሪ ዝዓቕኑ ጸባ ዝተሓውሶ ጽሟቕ [milk shakes] ነብሲ ወከፍ መዓልቲ ክምገብ ኣብዝጀመረሉ እዋን፡ እቲ መደብ ኣሸጋሪ ክይኑ ኢዩ ረኺብዎ ነይሩ። እንተኾነ፡ ኣብ ውሽጢ 12 ሳምንታት ካብ 90 ኪሎ ናብ 73 ኪሎ ብምንካዩ፡ ቅልጡፍ ምዕባለ ኣስተብሂሉ። ዳሕራይ ግና ዓጺም መግቢ ክምገብ ምስጀመረ፡ እቲ ሽግር፡ ዳግማይ ከምዝተጋህደ ማክሶርለይ ገሊጹ። \"እቲ ጽሟቕ ምስታይ እቲ እንኮ መበገሲ ናይቲ ጉዕዞ ኢዩ፡ መጻኢ ሂወትካ ኣብ ኢድካ ከምዝኾነ ድማ የነጽረልካ\" ኢሉ ማክሶርለይ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ክብደቱ ናብ 77 ኪሎ ድሕሪ ምውራዱ ዝኾነ ወሰኽ ናይ ክብደት ኣይገበረን።","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-47524265"} {"headline":"ጥዕና፡ ሕክምና ብርሕቀት ('ቴሌሜድስን') እንታይ'ዩ፤ ኣብ ኢትዮጵያ የዋጽእ'ዶ ይኸውን?","content":"\"ዘረባ ብዓይኒ ይኣቱ\" ዝብል ኣተሓሳስባ ኣብ ዘለዎ ሕብረተሰብ፡ ሓደ ሓኪምን ተሓካምን ብኣካል ከይተራኸቡ ሕክምና ምሃብ ይከኣል'ዶ ይኸውን? እዚ መይላ ሕክምና 'ቴሌ ሜድስን' ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ኢትዮጵያ ግን ብኸመይ መገዲ ክዕወት ይኽእል? በዓል ሞያ ሕክምና ዕንዛዘ (ሂፕኖሲስ) ከምኡ'ውን ኣካያዲ ስራሕ ቴሌሜድስን ዮኮ ኣቶ ኣብዲ ድንገታ፤ ኣቐዲሙ ኣተሓሳስባ እቲ ሕብረተሰብ ክቕየር ከም ዘለዎ ይዛረበ። \"ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብና 'መርፍእ ከይኣዘዘ ከኒና ጥራሕ ሂቡ ሰዲዱኒ። ሎሚ ድማ ራጂ'ውን ዘይእዝዝ ሓኪም ገጢሙኒ' ኢሉ ቅርታ ዝስምዖ ሰብ ብዙሕ እዩ\" ይብል ኣቶ ኣብዲ። \"እዚ ንዓና'ውን ኣብ ፈተና ኣእቲዩና ነይሩ። ሕጂ ግን ይለምዶ ኣሎ፤ ንሕና'ውን ሓበሬታ ጥዕና ብግቡእ ብምብጻሕ እምነት ንክንረክብ ንሰርሕ ኣለና\" ብምባል ድማ ነቲ ዝመጽእ ዘሎ ለውጢ የረድእ። ኣገልግሎት ምኽሪ ሕክምና ዮኮ (ቴሌ ሜድስን) ለበዳ ኮቪድ-19 ቅድሚ ምምጽኡ እዩ ተጀሚሩ። ሰባት ናብ ሆስፒታል ምኻድ እንተኣስጊኡዎም፡ ንዝደለዩዎ ሓኪም ብቴሌፎን ይረኽቡዎ ማለት'ዩ። \"ብምኽንያት እቲ ለበዳ ሰባት ናብ ሆስፒታል ምምጻእ ሰጊኦም። ሕዱር ሕማም ዘለዎም ሰባት ናብ ሆስፒታል ኣይኸዱን ነይሮም። ካብዚ ብዝብገስ ቴሌሜድስን ኣገዳሲ ምዃኑ ክንሓስብ ጀሚርና\" ይብል ኣቶ ኣብዲ። ቀንዲ ዕላማ ቴሌ ሜድስን፡ ሓደ ሕሙምን ሓኪምን ብኣካል ከይተራኸቡ ኣገደስቲ ሓበሬታታት ጥዕና ምልውዋጥ እዩ። ኣቶ ኣብዲ ዝሰርሓሉ ትካል ድማ ኣርባዕተ ዕማማት ከም ዘለውዎ ይዛረብ። እቲ ናይ መጀመርታ እቲ ሕማም ምፍላጥን ብዛዕባ ዘድሊ ሕክምና ምዝርራብን እዩ። ካልኣይ፡ ቀለልቲ ዝመስሉ ግን ድማ ጠቐምቲ መረዳእታታት ምዝታይ ኮይኑ፡ \"ብርግጽ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ቀሊል ዝብሃል ነገር የለን\" ይብል ኣቶ ኣብዲ። በዚ መገዲ \"ሓደ ሰብ ምስ ሓኪሙ ውዒሉ መድሃኒት ገዚኡ ናብ ገዝኡ ምስኣተወ ብዛዕባ ኣወሳስዳ እቲ መድሃኒት እንተዘይተረዲኢዎ ምስ ሓካይሙ ክዘራረብ ይኽእል'ዩ\" ክብል የረድእ። ወይ ድማ፡ ሓደ ክትትል ሕክምና ክገብር ዝደለየ ተሓካሚ፡ ብዛዕባ እቲ ዘድልዮ መስርሕ ሕክምና ክፈልጦም ዝግባእ ቅድመን ድሕረን ጥንቃቐ ብዝምልከት ምስ ሓካይም ዮኮ ብስልኪ ክመክር ይኽእል። ካልእ ኣገልግሎት ቴሌሜድስን ድማ፡ ሓደ ተሓካሚ ብኣካል ናብ ሆስፒታል ከይዱ ተሓኪሙ ምስ ሓኪሙ ዝነበሮ ጻንሒት ግን ግልጺ እንተዘይኾይኑሉን ተወሳኺ መረዳእታ እንተደልዩን ስልኪ ደዊሉ ኣገልግሎት ክረክብ ይኽእል'ዩ። እቲ ራብዓይ ዓምዲ ኣገልግሎት ቴሌሜድስን፡ ሃንደበታዊ ኣገልግሎት ክፍሊ ሕክምና'ዩ። ሓደ ሰብ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ወይ'ውን ኣብ መገዲ ሓደጋ እንተገጢሙዎ፡ ኣብ ቀረብኡ ዘሎ ሰብ ፈላማይ ረድኤት ሕክምና ክህቦ ደልዩ ግን ከኣ ዘይተረድኦ ነገር እንተሃልዩ ቴሌፎን ብምድዋል ካብ ሰብ ሞያ ኣድላዪ ሓገዝ ክረክብ ይኽእል። ብኻልእ ወገን፡ ሓደ ሰብ ጸገም ጥዕና ዘጋጠሞ ግን ድማ ናበየናይ ሆስፒታል ክኸይድ ከምዘለዎ፣ እንታይ ዓይነት ክኢላ ከዛርብ ከም ዘለዎ ክፈልጥ ከምኡ'ውን ቖጸራ ብምትሓዝ ሙሉእ ኣገልግሎት ክረክብ እንተደልዩ ናብ ዮኮ ቴሌፎን ብምድላው ዘድልዮ ሓበሬታ ይረክብ። ዮኮ ቴሌሜድስን፡ ብኽልተ ክኢላታትን ሽዱሽተ ጠቕላላ ሓካይምን ናይ 24 ሰዓታት ኣገልግሎትን ምኽርን ሕክምና ዝህብ ትካል እዩ። እዚ ዓይነት ኣገልግሎት፡ ኣብ ሆስፒታላት ዘጋጥም ምጭንናቕን ምንግልታዕ ኣረጋውያንን ብምውጋድ፤ ግዜ ብምቁጣብ ኣብ ሞንጎ ሕሙምን ሓኪምን ጽቡቕ ምርድዳእ ክህሉ ከም ዝገብር ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ይዛረቡ። ይኹን'ምበር ሓያል ጥንቃቐ ዝሓትት ኣገልግሎት'ዩ። ኣቶ ኣብዲ ከብርህ እንከሎ፡ \"ብዙሓት ሕማማት ብቐሊል ምኽሪ ሕክምና ጥራሕ ኣብ ውሽጢ ገዛ ክሕከሙ ዝኽእሉ'ዮም። ኩሎም ምልክታት ሕማም ናብ ሆስፒታል ዘምርሑ ዘይክኾኑ ይኽእሉ'ዮም። ግዘን ገንዘብን ምብኻን ኣየድልን፤ እቲ ቁውም ነገር ካብ ትኽክለኛ ሓኪም ምኽሪ ምርካብ'ዩ\" ክብል ይገልጽ። ኣብ ዝሓለፉ ትሸዓተ ኣዋርሕ ጥራሕ ልዕሊ 5 ሽሕ ጻውዒት ስልኪ ከም ዘተኣናገዱ ዝዛረብ ኣቶ ኣብዲ፡ \"ብቐዳማይ ደረጃ ክቕመጥ ዝኽእል ሕዱር ሕማማት ዘለዎም ሰባት'ዮም\" ይብል። እዚ ሕማም እንታይ ከስዕበለይ ይኸውን? እዚ መድሃኒት እንተወስድኩኸ? እንተተረፈኸ? ዝብሉ ሕቶታት ብብዝሒ ከም ዝቐርቡሎም ኣብሪሁ። ንኣብነት ሕማም ሽኮር ዘለዎ ሰብ፡ እንታይ ዓይነት መግቢ ክምገብ? እቲ ዝወስዶ መድሃኒት እንታይ ዓይነት ጎናዊ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል? ዝብሉ ኣብ ኣወሳስዳ መድሃኒት ብዝተሓሓዝ ሓበሬታ ንምርካብ ብዙሓት ሰባት ቴሌፎን ከም ዝድውሉ ይሕብ። ወለዲ ብዛዕባ ደቆም ዘጨንቑዎም ጉዳያት ንምሕታት ዝተገብሩ ጻውዒታት ቴሌፎን ብኻልኣይ ደረጃ ዝተሰርዑ ኮይኖም፡ ምስ ጾታዊ ርክብ ዝተኣሳሰሩ ድማ ብሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዖም ኣለው። \"ኣብ ሃገርና ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ትምህርቲ ስለ ዘይወሃብ ብዙሓት ሰባት ሕቶ ኣለዎም\" ዝብል ኣቶ ኣብዲ፡ \"ምስ ሓኪም ገጽ ንገጽ ተራኺቦም ምስዚ ብዝተሓሓዝ ሕቶታት ንምሕታት ትብዓት ስለዘይብሎም ብዙሓት ሰባት ብቴሌፎን ምኽሪ ሓቲቶም'ዮም\" ብምባል የረድእ። ዮካ ቴሌሜድስን ምስ ኢትዮ ቴሌኮም ብሓባር ከም ዝሰርሕ ዝገልጽ ኣቶ ኣብዲ፡ ዓማዊል ናይ ጥዕና ሓበሬታ ንምርካብ ንደቒቕ ኣርባዕተ ብር ከም ዝኸፍሉ ገሊጹ። ንምዃኑ፡ ሓንቲ ብምዝባዕ መረዳእታ እትፍጠር ናይ ሕክምና ስሕተት ዋጋ ከተኽፍል ስለ እትኽእል፡ እንታይ ዓይነት ጥንቃቐ'ዩ ዝግበር? \"ንሕና ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ኢና ንህብ። ካብቶም ቴሌፎን ዝድውሉ ዘይተረድኣና ነገር እንተሃልዩ ኣዳጊግና ንሓትት፤ ንሕና ብዛዕባ እቲ ሕክምና ኢና መረዳእታ ንህብ እምበር ዓርስና ጀሚርና እንውድኦ ሕክምና የለን\" ይብል ኣቶ ኣብዲ። ንጥንቃቐ ብዝብል ድማ፡ ሓደ ተሓካሚ ጻውዒት ስልኪ ክገብር እንከሎ ዝህሉ ናይ ድምጺ ልውውጥ ተቐዲሑ እዩ ዝቕመጥ። \"ክፍለጥ ዘለዎ ጉዳይ፡ ነቲ ሕሙም ካብ ዝመርመሮ ሓኪም ንላዕሊ ንሕና ኢና ንፈልጠልካ ኣይንብሎን። ልክዕ እንተዘይመሲሉና ግን ምስቲ ዝደወለ ውልቀሰብ ብምዝርራብ ናብ ናይ ውልቂ ሓኪሙ ብምድዋል ተወሳኺ ሓበሬታ ንእክብ። ወይ ድማ እቲ ሕሙም ደጊሙ ናብ ዝመርመሮ ሓኪም ክኸይድ ንምዕድ\" ክብል ድማ የረድእ። ቴሌሜድስን፡ ኣብ ዝዓበያ ሃገራት ድሮ ናብ ቪድዮ ሜድስን በጺሑ'ዩ። ኣብ ርእሲኡ 'ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ' ኣብ ውሽጢ ሕክምና ኣትዩ ብዙሕ ለውጢ ክርኣይ ጀሚሩ ኣሎ።","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/55323217"} {"headline":"መጥባሕቲ እናኣካየደ፡ ውዕሎ ፍርዱ ‘ብዙም’ ዝተኸታተለ ዶክተር","content":"ኣብ ኣመሪካ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎርንያ፡ ሓደ ዶክተር ንሓደ ተሓካሚ መጥባሕቲ እናኣካየደሉ እንከሎ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ነቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝነበሮ ጉዳይ ‘ብዙም’ ከምዝተኸታተሎ ተገሊጹ። እቲ ስኮት ግሪን ዝተባሃለ ሓኪም፡ መጥባሕቲ ከካይድ እንከሎ ዝኽደኖ ክዳን ገይሩ መጥባሕቲ እናኣካየደ እንከሎ እዩ ነቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝነበሮ ጉዳይ ብዙም ዝተብሃለ መተግበሪ፡ ንመጋባእያ ብቪድዮ ዝከታተሎ ነይሩ። እቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝነበረ ተረኛ ዳኛ፡ ዶክተር ስኮት ግሪን ነቲ ውዕሎ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘለዎ ኮይኑ ክኸታተሎ ዝጥዕሞ እንተኾይኑ ምስ ሓተቶ፡ ዶክተር ስኮት ግሪን ጉዳይ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘለዎ ኮይኑ ክከታተሎ ከምዝኽእል ብምሕባር “ኣይትሰከፉ ኣብ ጥቃይ ካልእ ክኢላ መጥባሕቲ ዝኾነ ዶክተር ኣለኒ” ኢሉ መሊሱ። እቲ ዳኛ ግን እቲ መስርሕ ቤት ፍርዲ ብኸምዚ ክቅጽል ከምዘይክእል ብምምልካት እቲ ውሳነ ናብ ካልእ መዓልቲ ክሰጋገር ወሲኑ። ሚዲካል ቦርድ ካሊፎርንያ ብወገኑ፡ ነቲ ዘሎ መስርሕ ባዕሉ ከምዝከታተሎ ብምሕባር፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ውሽጢ ስራሕ ኮይኖም ስርሖም ኣብ ዘከናውንሉ እቲ ክኸውን ዘለዎ መስርሓት ክኽተሉ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቡ። ብመሰረት ሕጊ ኣመሪካ፡ ሕጊ ትራፊክ ዝጥሓሱ ሰባት መስርሕ ፍርዶምን መቅጻዕቶምን ህዝቢ ክዕዘቦ ዘፍቅድ እዩ። እቲ መስርሕ ፍርዲ ዶክተር ስኮት ግሪን’ውን ኣብ ዩቱዩብ ብቀጥታ እዩ ዝመሓላለፍ ነይሩ። እቲ ቤት ፍርዲ መስርሕ ፍርዲ ዶክተር ስኮት ግሪት ኣብ ዩትዩብ ብቀጥታ ይፍኖ ምህላዉ ምስ ሓበሮ’ውን “ኣብ ጥቃይ ካልእ ክኢላ መጥባሕቲ ስለዘሎ ክንቅጽል ንኽልእ ኢና” ዝብል መልሲ እዩ ሂቡ። ተረኛ ዳኛ እቲ ቤት ፍርዲ ጌሪ ሊንክ መስርሕ ፍርዲ ንኽጅምር ኣብ ወንበሩ ኮፍ ክብል እንከሎ ዶክተር ስኮት ግሪን ስርሑ ደው ከየበለ መጥባሕቲ እዩ ዘካይድ ነይሩ። እቲ ዳኛ “እንተዘይተጋግየ ኣብዚ ስዓት እዚ መጥባሕቲ ኢኻ ተካይድ ዘለኻ፡ ሓቐይ እንድየ?” ክብል ሓቲትዎ። ዶክተር ስኮት ግሪን ብወገኑ “እወ ጽቡቕ ኣለኻ ክቡር ዳኛ፡ እቲ መስርሕ ፍርዲ ክንቅጽል ንኽእል ኢና” ብምባል መሊስሉ። ዳኛ ግሪ ሊንክ ብወገኑ፡ እቲ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ከምዚ ኩነታት ክካየድ ጽቡቕ ከምዘይስመዖ ብምግላጽ “እዚ ክኸውን ኣይክእልን እዩ ግቡእ’ውን ኣይኮነን፡ ኣብ ውሽጢ ክፍሊ መጥባሕቲ ኾይካ ንሓደ ሕሙም መጥባሕቲ እናኣካየድካሉ መስርሕ ፍርዲ ክትከታተል ኣይትኽእልን ኢኻ ቅኑዕ’ውን ኣይኮነን” ብምባል መስርሕ ፍርዲ ናብ ካልእ መዓልቲ ክሰጋገር ወሲኑ።","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56236306"} {"headline":"ኣብ ዲ\/ሪ\/ኮንጎ ዝተገበረ መጽናዕቲ፡ መድሃኒት ኤችኣይቪ ንምርካብ ተስፋ ተረኺብዎ ተባሂሉ","content":"ብዘይ መቆጻጸሪ መድሓኒት ኤችኣይቪ ኤድስ፡ ሰብነቶም ብተፈጥሮኣዊ መገዲ ነቲ ቫይረስ ክቆጻጸር ዝኽእሉ ሰባት ምርካቦም፡ መድሓኒት እቲ ቫይረስ ንምርካብ ተስፋ ከምዝሃቦም ተመራመርቲ ገሊጾም፡፡ እቲ መጽናዕቲ ከምዝሓበሮ፡ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ኣስታት 4 ምኢታዊት ኤችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ሰብነቶም ነቲ ቫይረስ ክገትኦ ክኢሉ እዩ፡፡ ብሓፈሻ ትሕቲ ሓደ ምኢታዊት ካብ ተሰከምቲ እቲ ቫይረስ ጥራሕ እዮም እዚ ተፈጥሮኣዊ ዓቕሚ ዘለዎም፡፡ እቲ ተረኺቡ ዘሎ ውጽኢት ክታበት ወይ መድሓኒት ኤችኣይቪ ኤድስ ንምርካብ ኣብ ዝካየድ መጽናዕቲ ከም መበገሲ ክኸውን ከምዝኽእል ተመራመርቲ ገሊጾም፡፡ መራሒት እቲ መጽናዕቲ ዝኾነት ተመራማራት ሜሪ ሮጀርስ ‘‘ንፈለማ እዋን መረዳእታታት እቲ መጽናዕቲ ምስ ረኸብና ተገሪምና ኔርና፤ ተሓጒስና እውን’’ ብምባል ንቢቢሲ ተዛሪባ፡፡ ወሲኻ ድማ ‘‘እዚ ማለት ድማ መድሓኒት ክንረኽበሉ ንኽእል ኢና ማለት እዩ’’ ኢላ፡፡ እቲ ካብ ዝተፈላዩ ዩኒቨርሲቲታትን ትካላት መድሓኒትን ብዝተወጻጽኡ ተመራመርቲ ተጸኒዑ ኣብ ኢባዮመዲስን ዝተባህለ መጽሄት ዝተሓተመ መጽናዕቲ፡ ካብ 1987 ክሳብ 2019 ዝተወሰዱ ቅምሶታት ምስቲ ቫይረስ ዝነብሩ ሰባት መርሚሩ እዩ፡፡ ኣብ ካሜሩን ብመሳሳሊ ሰብነቶም ነቲ ቫይረስ ብዘይ መድሃኒት ክቆጻጸር ዝኽእል ሓደ ምኢታዊት እቲ ቫይረስ ዘለዎም ሰባት ተረኺቦም እዮም፡፡ ‘‘እዚ ቅድሚ ሕዚ ተራእዩ ኣይፈልጥን፤ ብሓፈሻ ካብቶም ኤችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ኩሎም ትሕቲ ሓደ ምኢታዊት ጥራሕ እዮም ሰብነቶም ባዕሉ ነቲ ቫይረስ ክገትእ ዝኽእል ነይሩ’’ ትብል ዶ\/ር ሮጀርስ፡፡ ኣብዚ እዋን መብዛሕተኦም እቲ ቫይረስ ዘለዎም ሰባት፡ መዓልታዊ ነቲ ቫይረስ ንምግታእን መጠን ቫይረስ ንምቕናስን መድሓኒት ይወስዱ፡፡ እቶም ተስፋ ዝህብ ውጽኢት ዝተረኸቦም ሰባት፡ ሰብነቶም ብኸመይ ነቲ ቫይረስ ክቆጻጸር ከምዝኸኣለኳ እንተዘይተፈለጠ ነቲ መስርሕ ምርዳእ ግን ወሳኒ ከምዝኾነ እታ ተመራማሪት ገሊጻ፡፡ ኣብ 1980ታት ዓለማዊ ትኹረት ዝረኸበ ሕማም፡ ኣስታት 76 ሚልዮን ሰባት ዘጥቀዐ ኮይኑ ኣብዚ እዋን እውን 38 ሚልዮን ምስቲ ቫይረስ ሓቢሮም ይነብሩ፡፡ ሕማም ኤችኣይቪ\/ኤድስ ንፈለማ እዋን ቅድሚ ሓደ ምኢቲ ዓመት ኣቢሉ ኣብ ናይ ሎሚ ዲሞክራቲክ ኮንጎ ከምዝተኸሰተ ዝእመን ኮይኑ፡ ኣብ ትሕቲ ሳህራ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ብበዝሒ ከምዘጥቅዕ ይግለጽ፡፡","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/56262257"} {"headline":"ጥዕና ስነልቦና፡ መሓዙትና ኣብ ጥዕናና ኣሉታዊ ሳዕቤናት ኣለዎም'ዶ?","content":"መሓዙትካ ኣብ ጥዕናኻ ዓቢ ተራ ኣለዎም። ካብቶም ብኣሉታ ዝጸልዉኻ መሓዙትካ፡ ሕማቕ ባህርያት - ከም ምትካኻ ሽጋራን መስተን- ክትወርስ ትኽእል። ኣብ ዝተናውሐ እዋን ከኣ ግዳይ ናይቶም ቀተልቲ ዝኾኑ ሕማማት፡ ከም ሕማም ልቢ፣ መንሽሮን ወቕዒ፣ ኩሊት፣ ሳምቡእን ዝኣመሰሉን ተማዕብል። ካብቶም ብኣወንታ ዝጸለዉኻ ድማ ኩሉ ንሂወትካን ጥዕናኻን ዝጠቅም ነገራት፡ ከም ኣካላዊ ምውስዋስ፣ ዝተመጣጠነ መግቢ ምምጋብን ካልእን ብምቕዳሕ ጥዕንኡ ዝተማልአ ሰብ ትኸውን። ብዙሓት ሰባት ኣብ መጀመርታ ናይ ሓድሽ ዓመት ካብ ኩሉ ንጥዕንኦም ጎዳኢ ዝኾኑ ነገራት ማለት ከም ምትካኽ ሽጋራን ምስታይ ኣልኮላዊ መስተን ደው ከብሉን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ከዘውትሩን ይውስኑ። ኩሎም ንጥዕናና ዝሃስዩ ባህርያት - ከም ምትካኽ ሽጋራን ዝኣመሰሉን ባህርያት - ካብቶም ንቐርቦምን ነድንቖምን መሓዙትና፣ መዛኑናን ኣዝማድናን ኢና ንቐድሖም። እዚ ተርእዮ'ዚ ዋላ'ኳ ከም በዓል ሕማም ልቢ፣ ወቕዒ [ስትሮክ]ን መንሽሮን [ካንሰር]ን ዘይላገብ እንተኾነ፡ ከም ተላባዒ ሕማም ካብ ሓደ ሰብ ናብ ካልእ ዝመሓላለፍ ዓይነት ሕማም ኢዩ። መሓዙትካ ከሳዕ ክትከውን ኣበርክቶ ኣለዎም'ዶ? ኣብ 1940ታት ኣብ ፍራሚንግሃም፡ ማሳቺዩሴትስ [ኣሜሪካ] ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ሓደ ሰብ ኣብቲ ዝነብርሉ ከባቢ ከሳዓት እንተድኣ ኣሊዮም ንሱ'ውን ናይ ምኽሳዕ ተኽእሎታት ከምዘለዎ የመልክት። እቲ መጽናዕቲ፡ እንተድኣ ዓርኩ ከሳዕ ኮይኑ እቲ ሰብ 57% ከሳዕ ናይ ምዃን ዕድላት ክህልዎ ከሎ፤ የሕዋቱ ድማ ከሳዓት እንተድኣ ኮይኖም 40% ናይ ምኽሳዕ ዕድላት ኣለዎ። በዓልቲ ቤቱ ወይ ድማ በዓል ቤታ ከሳዕ እንተድኣ ኮይኖም ድማ 37% ከሳዕ ናይ ምዃን ተኻሎታት ከምዘሎ እቲ መጽናዕቲ የመልክት። እንተድኣ እቶም ክልተ ሰባት ካብ ሓደ ጾታ ኮይኖም ድማ እቲ ተርእዮ ዝያዳ ጎሊሑ ይርአ። ብፍላይ እቲ ሰብ ብዛዕባ ርጉዲ'ቲ ካልእ ሰብ ብዙሕ ዝሓስብ እንተድኣ ኮይኑ። እቲ ኣብ ፍራሚንግሃም ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ሓደ ሰብ በቲ ጥቡቕ ዝምድና ዘይብሉ ግና'ኸ መዓልታዊ ዝርእዮ ኣዝዩ ሮጒድ ጎረቤቱ ኣይጽሎን ኢዩ ይብል። እቲ ምኽንያት ድማ፡ እቲ ሰብ ምስቲ ጎረቤቱ ዘለዎ ቅርበት ዓቢ ስለዘይኮነን ብርጉዲ ናይ ጎረቤቱ ስለዘይሻቐልን ኢዩ ዘይሮጉድ። ስለዚ ዋላ ኣብ መንጎ ክልተ መሓዙት'ውን እቲ ፍቕሮም ዘይመጣጠን እንተድኣኮይኑ፡ እቲ ዝያዳ ፍቕርን ሓልዮትን ኣብ ዓርኩ ዘርእይን በቲ ናይቲ ከሳዕ ዓርኩ ርጉዲ ዝሓስብን ናይ ክብደት ምውሳኽ ከርኢ ከሎ፡ እቲ በቲ ዕርክነት ብዙሕ ዘይግደስ ግና ዝኾነ ናይ ክብደት ምውሳኽ ኣየርእን። ኣብዚ እዋን ዝርኣዩ ዘለዉ መጠን ፍትሕ ሓዳር፣ ምትካኽ ሽጋራን ምስታይ ኣልኮላዊ መስተን ካብ መሓዙትን ኣዝማድን ዝመሓላለፉ ባህርያት ኢዮም። ዋላ'ኳ ምስ ምሽምጋል ብዝተሓሓዝ ንገለ ሕማማት ዝተቓላዕና እንተኾና፡ እቲ ንዝተፈላለዩ ዘይተላባዕቲ ሕማማት - ከም ሕማም ልቢ፣ ወቕዕን መንሽሮን - ከነማዕብል ዝገብረና ግና እቲ ዘማዕበልናዮ ባህርያት፡ ማለት ከም ምትካኽ ሽጋራ፣ ዘይተመጣጠነ መግቢ ምብላዕን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይምግባርን ኢዩ። እዞም ዘይተላገብቲ ሕማማት - ከም ሕማም ልቢ፣ ወቕዒ፣ መንሽሮ፣ ሕማም ሽኮርያን ሳምቡእን ብዓለም ደረጃ ካብ 10 ሰባት ሸውዓተ በዞም ሕማማት ክሞቱ ከለው፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ድማ ዳርጋ 90 ሚኢታዊት ናይቲ ኣብቲ ሃገር ዝርአ ሞት ብሰንኪ'ዞም ሕማማት ከምዝኾነ ይፍለጥ። ብስምዒታት ምጽላው ማሕበራዊ ህይወት'ውን ንባህሪያትናን ስምዒታትናን ክጸልዎ ይኽእል። እቲ ዘገርም፡ ምትካኽ ሽጋራ ኣብ መንእሰያት ምስ ምጥራይ ህቡብነት ይኽሰት። ህቡባት ኣባጽሕ ሽጋራ ከትክኹ ምስዝጅምሩ እቲ ቁጽሪ ናይ መዛንኦም ክውስኽ ከሎ፡ እንተድኣ ምትካኽ ደው ኣቢሎም ድማ እቲ ቑጽሪ ይንኪ። ዋላ'ውን ምስ ጭንቀት ምትእስሳር ኣይሃልዎ፡ ኣብ ዝተናውሐ እዋን ግና እዚ መንፈስ'ዚ ናብ ጭንቀት ክምዕብል ተኽእሎታት ኣሎ። ማሕበራዊ ሻቕሎት ካብ የዕሩኽትናን ኣዝማድናን ዝተፈላለዩ ባህርያት ንቐድሕ ኮይና፡ ከመይ ጌርና ኢና ድኣ ጽቡቕ ባህርያት ነማዕብል? ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥሪ፡ ሰባት ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ደው ከብሉን ብብዝሒ ኣሕምልቲ ክምገቡን ይተባብዑ። እዚ ብጉጅለ ዝግበር ፈተነ ድማ ጥዕንኦም ንምሕላው ዝዓለመ ኢዩ። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ሰባት ብእኩብ ምትካኽ ሽጋራ ደው ከብሉ ዝጉስጎሰሉ ወርሒ ኢዩ። እዚ ባህርያት ሰባት ንምቕያር ኣብ 2012 ዝተጀመረ ሰናይ ተበግሶ ኣዝዩ ዕውት ነይሩ። ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት ነቲ ዘማዕበልዎ ባህርያት ደው ኣቢሎም'ዮም። እዚ ብእኩብ ዝካየድ ተበግሶ ድማ ካብቲ ብውልቀሰባት ዝካየድ ተበግሶ ዝያዳ ኣድማዕን ውጽኢታውን ኢዩ።","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51027534"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ፍሎሪዳ መዓልታዊ ልዕሊ 15 ሽሕ መልከፍቲ ተመዝግብ ኣላ","content":"ግዝኣት ኣሜሪካ ዝኾነት ፍሎሪዳ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ጥራሕ ሓደሽቲ ኮሮናቫይረስ ዝተረኽቦም 15,299 ሰባት ኣመዝጊባ። ተወሰኽቲ 45 ሰባት ድማ ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ሞይቶም። 7 ሚኢታዊት ብዝሒ ህዝቢ ኣሜሪካ ዝርከባ ግዝኣት'ኳ እንተኾነት፡ ዳርጋ ርብዒ መዓልታዊ ኣብ ኣሜሪካ ዝምዝገብ ቑጽሪ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ኣብታ ግዝኣት ጥራሕ ተመዝጊቡ ኣሎ። እዛ ግዝኣት ሃገር እንተትኸውን ነይራ፡ ኣብ ዓለም ዝለዓለ መልከፍቲ ዘመዝገበረት ራብዐይቲ ሃገር ክትብሃል ነይራ። ልዕሊ 40 ኣብ ፍሎሪዳ ዝርከባ ሆስፒታላት፡ እቶም ክፍሊታት ጽኑዕ ሕክምና መሊኦም ምህላዎም ይገልጻ። ዓውዲ ቱሪዝም እታ ግዝኣት ብኮሮናቫይረስ ኣዐርዮም ካብ ዝተጸለው ጽላታት ሓደ ኮይኑ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ተወሲዶም ዝነበሩ ስጉምታት ክተልዕል ጀሚራ ነይራ። ኣመሓዳሪ ሮን ዲሳንቲስ፡ ብምኽንያት እቲ ዝርኣይ ዘሎ መልከፍቲ ተኸፊተን ዝነበራ ባራት ክዕጸዋ እኳ እንተኣዘዘ፡ ብዝሒ ሰብ ኣብ ዝርከበሎም ቦታታት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምጥቃም ዝብል መምርሒ ግን ክፎክስ ገይሩ'ዩ። በዚ ምኽንያት፡ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ሓይሊ ዕማም ምቁጽጻር ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ኣሜሪካ ዶክተር ኣንቶኒ ፋውቺ፡ ኣብታ ግዝኣት ዝነበረ ኣዋጅ ዕጽዋ ክፎክስ ምግባሩ ልክዕ ኣይኮነን ብምባል ይነቕፎ። ኣብ ኣሜሪካ፡ ጉዳይ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ፖለቲካዊ መልክዕ ዝሓዘ ኮይኑ፡ ነዚ ዝቃወሙ ሰባት ውልቃዊ ናጽነትና ዝዳፋእ እዩ ብምባል ኣይቕበሉዎን። ካብዚ ብዝብገስ፡ ኣብ ዝተፈላላያ ግዝኣታት ኣሜሪካ ኣንጻር መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ካልኦት ስጉምታት ምክልኻል ዝርግሐ እዚ ቫይረስን ዘቕንዑ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ተኻይዶም'ዮም። ኣብ ዙርያ ኣገዳስነት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ሕቶታት ከልዕል ዝጸንሐ ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ'ውን እንተኾነ፡ ብቐዳም'ዩ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ገይሩ ንፈለማ እዋን ተራእዩ። \"ተቓዊመዮ ኣይፈልጥን፤ ግን ድማ ግዜን ቦታን ዝጠልብን'ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ\" ዝብል ርኢይቶ ድማ ሂቡ። ኣሜሪካ፡ ካብ ቀረባ መዓልታት ጀሚራ መዓልታዊ 60 ሽሕ ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ክተመዝግብ እንከላ፡ ኣሪዞና፣ ቴክሳስን ካሊፎርኒያን ልዑል ቑጽሪ መልከፍቲ የርእያ ኣለዋ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣሜሪካ ምስ ኮቪድ-19 ብዝተሓሓዝ ልዕሊ 134 ሽሕ ሰባት ሞይቶም።","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53386437"} {"headline":"ንሕማም ሽኮርያ፡ ዓመታዊ ድዩ፡ ዕለታዊ ዝኽሪ ዘድልዮ?","content":"ትማሊ ዓለማዊ መዓልቲ ዲያቤቲክ (ሕማም ሽኮርያ) ነይሩ። ከም ብዙሓት ኣህጉራውያን መዓልታት፣ መዓልቲ ሕርሻ፣ መዓልቲ ዘራእቲ፣ መዓልቲ ዕቃበ፣ መዓልቲ ካንሰር፣ መዓልቲ ዓባይ ሰዓል፣ መዓልቲ ኤች-ኣይ-ቪ ኤይድስ፤ መዓልቲ ሕማም ሽኮርያ ከኣ ትማሊ 14 ሕዳር ትዝከር እያ። ንሕማማት ብኣግኡ ንምክልኻለሎም ምታን ክከኣል፤ ኣህጉራውያንን ሃገራውያንን ትካላት መንግስታትን ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን ፡ ንቕሓትን ኣፍልጦን ማሕበረ-ሰብ ዓለም ክብርኽን፤ ጎስጓስን ኣስተምህሮን ይህቡ። ኣብዛ መዓልቲ ሕማም ሽኮር ዝኽበረላ ዘሎ ዕለት ከኣ ኣብ መላእ ዓለም ዘለው ኣህጉራዊ ፌደሬሺን ዲያቤቲክ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ናይ ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣውስትራልያ፡ ካናዳ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኒውዝላንድን ህንድን ካልኦትን ነዚ በዓል የኽብሩዎ። ኣብዛ ዕለት ኣብ ማእከላይ ደረጃታት ኣብያተ ትምህርቲ፡ ዩኒቨሪሲቲን ኮሌጃትን፡ ዝተፈለላየ መጽናዕታዊ ትምህርትን ሰሚናራትን ይካየድ። ኣብ ኣብያተ እምነታት፡ ኣብ ቤተክርስትያናትን መሳጊድን፡ ወዘተ፡ ምልልውዋጥ ተመኩሮ ሓካይምን ሕሙማንን'ውን ይካየድ። ሞያውያን ጥዕናን፡ ወለንተኛታት ሕሙማን ዲያቤቲክን ከኣ ብዝተፈላለየ መራኸቢ ብዙሓን ብተሌቪዥን፡ ሬድዮን ጋዜጣን ሓበሬታን ኣስተምህሮን ይህቡ። ምስ ሕማም ሽኮር ብዝተኣሳሰር ዛንታ እዚ ዕለት ዝነግር ዘለኹ እምበኣር ሓደ ካብቶም ኣሽሓት ወለንተኛታት ሕሙማን ሽኮርያ (ዲያቤቲክ) እየ። ቅድሚ ናብ ውልቃዊ ዛንታ ምእታወይ፡ ሕማም ሽኮር እንታይ ማለት ምዃኑ ካብ ዘንበብኩዎን ብሓካይመይ ዝተነገረንን ከካፍል። ኣብ ደምና፡ መጠን ሽኮር ካብቲ ዝግብኦ ንላዕሊ ብምብዝሑ ዝኽሰት ሕማም እዩ። እቲ ንመጠን ብዝሒ ሽኮር ዝንክን ዝቆጻጸርን ኢንሱሊን ዝተባህለ ቆስጠ [pancreas-ጣፍያ] ካብ ዝተባህለት ክፍለ ኣካላትና ዝምንጩ ንጥረ ነገር ክጎድልን ብግቡእ ምስዘይሰርሕን ሕማም ሽኮርያ ይኽሰት። ክንደይ ዓይነት ሕማም ሽኮርያ'ኸ ኣለው? ሞያውያን ተመራመርቲ እቲ ዓውድ ንሕማም ሽኮርያ ኣብ ክልተ እዮም ዝኸፍሉዎም። እቲ ቐዳማይ ዓይነት ሕማም ሽኮርያ ቁጽሪ ሓደ ( ታይፖ-1) ዝበሃል ኮይኑ መብዛሕቱ ግዜ ካብ ስድራ-ቤት ብተወርሶ ዝሓልፍ ዓይነት ሕማም እዩ። እቲ ካልኣይ ከኣ ዓይነት ሕማም ሽኮርያ ቁጽሪ ክልተ( ታይፖ-2) ዝበሃል ኮይኑ መብዛሕቱ ግዜ ንማእከላይ ዕድመ ኣብ ኣርብዓታትን ልዕሊኡን ዕድመ ንዘለው ዘጥቅዕ ዓይነት ሕማም እዩ። ይኹን እምበር ሕማም ሽኮርያ ንሕጻናት፡ ቖልዑን፡ ኣብ ኣካላቶም ልዑል መጠን ስብሒ ዘለዎም መንእሰያት እውን የጥቅዕ እዩ። ፍልልይ ሕማም ሽኮርያ ቁጽሪ ሓደን ክልተን፡ እቲ ቐዳማይ ብቐጥታ ብመርፍእ ዝወሃብ ኢንሱሊን ክሕከም እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ግን ኣብ ሰብነትና ንዘሎ ውሑድ ዓቐን ኢንሱሊን ንምብርባር ዝሕግዝ ዝተፈላለየ ዓይነት መድሓኒታት ብምውሳድ ንመጠን ሽኮር ኣብ ደምና ምቁጽጻር ይከኣል። እቲ ጽቡቕ ነገር፡ ናይዚ ሕማም፡ ተማሂሩን ተሓቢሩን ክጥንቀቕ ንዝኽእል ሰብ ዝኸውን እኹል ፍልጠትን ተመኩሮን ምህላው እዩ። ብፍላይ ንሕማም ሽኮር ቁጽሪ ክልተ ቅድሚ ዝኣገረ ክትከላኸላን እንተነፊዕካ ጨሪስካ ከተርሕቓ፡ እንተነኣሰ ከኣ ኣዚኻ ከተደናጉያን ክትቆጻጸራን ይከኣል እዩ። ከምቲ ካህናትን ወንጌላውያንን \" እዝኒ ዘላቶ ሕጂ ይስማዕ!\" ኢሎም ዝሰብኩ፡ እዝኒ ዘለዎን ትጉህን ሰብ ንሕማም ሽኮርያ ከወግዳን ከርሕቓን እውን ልዑል ተኽእሎ ኣሎ። እቲ ከምዚ ከማይ \"ደሓን ከርክበሉ እየ - ኣበይ ከይትበጽሕ!\" እናበለ ኩሉ ነገር ካብ ኢዱ ዝመልቆን ግን ፈትዩ ጸሊኡ ናብቲ ካልኣይ ደረጃ፡ ማለት እቲ ሕምማ ምስ ሓዘካ ናብ ምቁጽጻሩ እዩ ዝወርድ። ኣብ ምቁጽጻር እቲ ሕማም እንተተጊሁን እንተነፊዑን እውን ደሓን'ዩ። ኣብኡ እንተሓሚቑን እንተሰኒፉን ግን ናብቲ ከይመጽኣና እንፈርሖ፡ ኣዚዩ ዘሰንብድ፡ ከም መቑረጽቲ መሓውር፡ ዑረት ዓይኒ፡ መልመስቲ፡ ወቕዒ ልብን ሞትን ከጋጥም ይኽእል እዩ። ተመኩሮይ እምበኣር ኣብዚ እዩ ዘገድስ። ሓያሎ ብቐረባ ዝፈልጦምን ኣብ ጥዕነኦም ዝተሓጋገዝኩዎም ሰባት፡ ገሊኦም ብሰንኪ ሕማም ሽኮር ናይ መሓውር መቑረጽቲ፡ ገሊኦም ልምሰት ኮላሊት፡ ( ኪድኒ ፈይለር) ገሊኦም ከኣ ርኡይ ናይ ጥዕና ምስንኻል ከጋጥሞም ርእየ። ሓኪመይ፡ \" ኣብ ደምካ መጠን ሽኮር ይውስኽ ስለዘሎ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ሕማም ሽኮርያ ከጥቅዓካ ይኽእል እዩ። ስለዚ ካብ ሕጂ ኣትሒዝካ ክትጥንቀቕ ይግበኣካ\" ብማለት፡ ኮፍ ኣቢላ፡ ክገብሮ ዝግበኣኒ ነገራት ከምዚ ዝስዕብ ዘርዚራ ነጊራትኒ። ቀዳማይ መጠን ክብደት ክነኪ፡ ካልኣይ ዝበልዖ ዓይነት መግቢ ክፈልጥ፡ ( ካርቦ ሃይድሬት ዘለዎ ዓይነት መግቢ፡ ከም ባኒ፡ ፓስታ፡ ሩዝ፡ እንጀራ፡ ገዓት፡ ቅጫ ወዘተ እንተኺኢለ ጨሪሰ ከወግዶም እንተዘይኮይኑ ከኣ ውሑድ ዓቕን ክወስድ) ሽኮር ዘለዎም ዓይነት መግብታት፡ ብሽኮቲ፡ ኬክ፡ ሽኮር፡ መዓር፡ ዝበሰለ ፍሩታታት ወዘተ እንተኺኢለ ጨሪሰ ከወግዶ ወይ ኣዚዩ ውሑድ መጠን ክወስድ። እቲ ውሑድ ማለት ኣብ ሰሙን ሓንቲ በናና፡ ሓንቲ ኣራንሺ ወዘተ። ዝበዝሕ ምግበይ ኣብ ዓይነት አሕምልትን ጥረታትን ክምርኮስ፡ ስጋ ክበልዕ እንተደልየ ከኣ ንእሽቶ ዓቐን ስብሒ ዘይብሉ ስጋ ደርሆን፡ እንተተረኺቡ ከኣ ንእሽቶ ዓሳ፡ እንተዘይኮይኑ ግን፡ ከም ዓይኒ ዓተርን ባልደንጓን ብርስንን ሽሮን ዝኣመሰለ ፕሮቲን ዘለዎ ሓምልን ሰላጣን ክምገብ። መዓልታዊ ካብ ፍርቂ ሰዓት፡ እንተኺኢለ ካብኡ ንላዕሊ፡ ቅልጥፍ-ቅልጥፍ እናበልኩ ብእግረይ ክጓዓዝ። ኣብ መግበይ፡ ከም ቅብኢ ጠስምን ዘይትን ዝኣመሰለ ስብሓዊ ነገር ከወግድ። ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ ካብቲ ዝነበረኒ 85 ኪሎ ክብደት፡ ምስ ቁመተይ ናብ ዝመጣጠን 72 ክብደት እንተወሪደ፡ ነቲ ሕማም ንምውጋዱ ወይ ብሓያሎ ዓመታት ንምድንጓዩ ተኽእሎ ከምዘሎ መኺራን ሓቢራን ኣፋንያትኒ። ኣብቲ ፈለማ \"ጠፋእካ ጠፋእካ!\" ምስተበሃልኩ፡ ዳርጋ ንሓደ ክልተ ሰሙን ተገዲሰ ነቲ ሓኪመይ ዝበለትኒ ተኸታቲለዮ። ዳሕራይ ግን በብቑሩብ ናብቲ ዝነበርኩዎ ተመሊሰ። እቲ ኣይትብልዓዮ ዝተበሃልኩ ነገር ደሓን ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ነዊሕ ሰዓታት ተንቀሳቒሰ፡ ወይ ነብሰይ ቀጺዐ እስፖርት ሰሪሐ ከጉዱሎ እየ እናበልኩ፡ በብቑሩብ እቲ ጥዑም መግብን መስተን እናሰዓረኒ ዝተመኸርኩዎ ከይገበርኩ መድሃኒት ክትጅምር ኢኻ ናብ ዝበሃሎ ደረጃ በጺሐ። ምኽሪ ብዙሓት ናይ ቀረባ ሓካይም አዕሩኽትን ቤተ-ሰብን እናጠንቀቑኒ፡ \" ገ- እናበሉኻ'ዶ ትጋገ!\" ከም ዝበሃል፡ \"ሓያሎ ፈተውቲ ደጋጊም ገ - እናበሉኒ፡ ተጋግየ ኣባል ሕሙማን ሽኮርያ ኮይነ። ስለዝኾነ ከኣ እየ ሕጂ ኣብዛ ዕለት እዚኣን ነቶም ኢዶም ዝሰበርኩዎም ሓካይመይን መኸርተይን ይቕሬታ እናሓተትኩ፡ ነቶም ሓካይምኩም ብዝመኸሩኹም ምኽሪ ንሕማም ሽኮርያ ከተወግዱዎን ከተደናጓዩዎን እትኽእሉ ሰባት ከኣ በጃኹም ሻላ ማላ ኣይትርኣዩዎ ክብል ሕልናዊ ሓላፍነት ይስመዓኒ። ምልክታት ሕማም ሽኮር እንታይ እዩ? እቲ ዝኸፍአ ናይ ሕማም ሽኮርያ ጸገም፡ ብፍላይ ከኣ ናይቲ ዓይነት ቁጽሪ ክልተ (ታይፕ-2)፡ ዝኾነ ይኹን ሰብ ምንም ምልክት ከየርኣየን ሕማም ከይተሰመዖን፡ እቲ ሕማም ኣብ ኣካላቱ ንኣስታት 10 ዓመት እውን ክጸንሕ ይኽእል እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ከኣ እቲ ሕማም ብውሽጢ ውሽጢ ንዝተፈላለዩ ዋህዮታት ኣካላትና፡ ንኮላሊትና፡ ነዒንትና፡ ንጸላም ከብዲ፡ ወዘተ የጥቅዕን ይጎድእን። ስለዚ እንተተኻኢሉ ወላ እውን ዝኾነ ይኹን ሕማም ኣይሰመዓና፡ ኣኣብ ሽዱሽተ ወርሒ ኣካላትና ከመይ ከምዘሎ፡ መጠን ብዝሒ ደም፡ ኮሎስትሮል (መጠን ስብሒ ኣብ ሻምብቆታት ደምና) መጠን ብዝሒ ሽኮር ኣብ ደምና ወዘተ ክንምርመርን ኩነታትና ክንፈልጥን ኣገዳሲ እዩ። እቲ ዝበዝሕ ግዜ ብተወርሶ ካብ ስድራ-ቤት ዝመሓላለፍ፡ ዓይነት ቁጽሪ ሓደ (ታይፕ-1)፡ ሕማም ሽኮርያ እንተሒዙካ ግን፦ ዕብራን ሰብነት ዝኣመሰለ ምልክታት ከምዝገብር ሞያውያን ይዛረቡ። ኣብ ኣካላትና፡ መጠን ሽኮር ካብቲ ዝግበኦ ንላዕሊ እንተበዚሑ ከኣ ውኖና ከነጥፍእን ኣብ ኮማ ክንኣቱን ንኽእል፡ ከም ሳዕቤኑ ከኣ ኣካለትና ዘልምስ ወቕዕን ሞትን እውን ከስዕብ ይኽእል። እቲ ዝኸፍአ ነገር ግን ከተወግዶን ክትቆጻጸሮን ብእትኽእል ዓይነት ሕማም ዕለታዊ ህየወትካ ክሰናኸል እንከሎ እዩ። ዝኾነ ዓይነት ሕማም ነቲ ሕሙም ጥራሕ ኣይኮነን ዘጥቅዕ። ንመልዓሊ ሕሙም መላእ ስድራ እውን እዩ ዝትንክፍ። እቲ ሕሙም ዝኣሊ ኣባል ስድራ ብቐንዱ ክትንከፍ እንከሎ ከኣ፤ እታ ካብ ኣባላ ዝሓመማ ስድራ ብሞራልን ሐሳብን እውን ትጉዳእ እያ። \"ሕማም ሽኮርያ እንተተቖጻጺርካዮ ሽኮር እዩ! - ከም ሻሙ እንተሪኢኻዮ ግን ንሕስያ የብሉን!\" ክብለኒ ይዝከረኒ ሓደ ካብ ሞያውያን አዕሩኽተይ። እምበኣር ጽሑፈይ ብምኽሩ ክዛዝማ። ምእንቲ ገዛእ ነብስናን ኣባላት ስድራናን ጥዕናና ንሓሉ። ዘይንኽእሎ ሕማም ደኣ ኣይምጻእ እምበር ንሕምም ሽኮርስ እንተነፊዕና ከነሕምቓ ዘይከኣል ኣይኮነን።","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50429583"} {"headline":"'ከይዳቶ- እንድያ' ከይብሉና ስቕ ኢልና ንኸይድ ብዙሓት ኢና\"","content":"\"መብራህቱን መብራትን\" ብዝብል ስም፡ ዛንታ ስነ-ኣእሙሮኣዊ ጸገማቶም ዘካፍሉ ዜጋታት፡ ዝኾነ ሕሙም፡ ግቡእ ሕክምናውን ሞያውን ደገፍ እንተ ተገይርሉ፡ ክሓዊ ከምዝኽእል ካብ ተመኩሮኦም የዘንትው። \"ሕብረተሰብና ኣብ ጥዕና ስነ-ኣእምሮ ግቡእ መረዳእታ ስለዘይብሉ፡ ብቕኑዕ ስመይን ስእለይን ተሙኩሮ ሕማመይ፡ ሕማም ስነ-ኣእምሮ ክገልጽ እስከፍ እየ\" ብምባል፡ \"መብራት\" ብዝብል ስም ተመኩሮኣን ምኽራን ከተቕርብ ምምራጻ ትገልጽ። እዛ ሰብ፡ \"ዝኾነ ሕማም ስነ-ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ግቡእ ክንክን እንተ ተገይርሉ ክፍወስ ይኽእል'ዩ\"። እነሆ እኳ ኣነ ሓውየ ንቡር ህይወተይ የካይድ ኣለኹ\" ብምባል እታ ንእሽቶይ ተመኩሮኣ ንገለ ሰባት ክትጠቅም ትኽእል እንተኾይና ብማለት፡ ብምኽንያት \"ዓለማዊ መዓልቲ ሕሙማን ስነ-ኣእምሮ 10 ጥቅምቲ ዕላላ ተካፍል። በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓያሎ ውሉዳት ዝኾነ ሓደ ጻዕራም ሰራሕተኛ ዜጋ እውን \"መብራህቶም\" ብዝብል ስም ተመሳሳሊ ተመኩሮኡ ከካፍለና እዩ። እዛ መዓልቲ - ኣህጉራዊ መዓልቲ ሕሙማን ስነ-ኣእምሮ እያ። ኣብዛ ዕለት ከኣ፡ ኣስታት 100 ዝኾና ኣባል ሕቡራት ሃገራት ዓለም፡ ተረድኦን ኣፍልጦን ሕብረተሰብ ኣብ ሕማም ስነ-ኣእምሮ ንምዕዛዝ ዝተፈለላየ ንጥፈታት የካይዳ። ዝተፈላለያ ትካላት ጥዕና፡ ንሕሙማን ስነ-አእምሮ ዝኣልያን ዝናብያን ገበርቲ ሰናይ ማሕበራት፡ ብዛዕባ እቲ ሕማምን ዓይነታቱን መጽናዕቲ ብምክያድ ፍታሕ ዝእምማ መሻርኽቲ ናይ ሞያ ትካላት፡ ካብ ሕማም ስነ-ኣእምሮ ዝተፈወሱ ወይ ንቡር ህይወቶም ከካይዱ ዝበቕዑ ግዳያት፡ ኣፍልጦን መረዳእታን ሕብረተሰብ ንክዓቢ ይምህራን የጎሳጉሳን። ሓጺር ዛንታ \"መብራትን መብራህቶምን\" እምበኣር ወለንታዊ ተበግሶ ኣካል ናይዚ ዓለማዊ ጎስጓስ ስነ-አእምሮ እዩ። ሕማም ስነ ኣእምሮ፡ ከም ዝኾነ ንክፍልታት ኣካላትና ዘጥቅዕ ካልእ ዓይነት ሕማማት እዩ። ሊቃውንቲ እዚ ዓውዲ ኣስታት 200 ዓይነት ሕማማት ስነ-ኣእምሮ ምህላውን፡ ኣብ ሓንጎል ደቂ ሰባት ብዝፍጠር ናይ ኬሚካል ምዝንባል ከምዝኽሰትን ብምሕባር፡ 'ሓደ ምሉእ ጥዕና ኣለዎ ዝበሃል ሰብ፡ ጥዑይ አካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕና ምስዝህልዎ'ዩ ክብሉ ይገልጹ። እዞም ብዛዕባ'ዚ ሕምማ'ዚ ተመኩሮኦም ዘካፍሉ፡ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከቡ ብፍቓዶም ስሞም ዝተቐየረ መብራህቱን መብራትን፡ ክልቲኦም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ቅዛነት ወዲቖም፡ ግን ከኣ ግቡእ ኣገልግሎት ረኺቦም ዕለታዊ ስርሖም ዝሰርሑን ንቡር ህይወቶም ዝመርሑን ኣብነታውያን ዜጋታት እዮም። መብራህቶም በዓል ሓዳርን ኣቦ ስድራን እዩ። መብራት ግን ገና ኣይበጽሓቶን ዘላ። መብራህቶም፡ ካብ ስድራ-ቤቱ ካብ ደቁን በዓልቲ ቤቱን ተፈልዩ ናብ ስደት ምስ መጽአ፡ እዚ'ዩ ብዘይብሎ ነገር ክሓርቕን ክበሳጮን ከምዝጀመረን፡ ከም ሳዕቤኑ ለይቲ ድቃስ ክኣብዮ፡ ሸውሃቱ ክዕጾ፡ ኣብ ሰብነቱ ዝነበሮ ተገዳስነት ክጎድል፡ ምሕጻብን ምጽርራይን ነክዩ፡ ዓለም ከምዘጽልኣቶን ይዛረብ። ብርቱዕ ናፍቖት ስድራን ደቁን ድቃስ ከምዝኸልኦ፡ ብቐጻሊ ድምጾም ክሰምዕ ከምዝደሊ፡ ግን ከኣ ናብ ዓዲ ከም ድሌቱ ስልኪ ንኽድውል ስለዝሽገር ብነብሰ ምትሓት ክሽገር ከምዝጀመረ ኣይሓብአን። ብሓጺሩ፡ ኣብ ፈለማ ስደቱ፡ ህይወት ከምዝመረሮን ነብሱ ከምዝጸልአን ግን ከኣ ብዕድል ሓደ ተመሳሳሊ ተመኩሮ ዘሕለፈ 'ሓበሻ'፡ ኩነታቱ ተረዲኡ ቀልጢፉ ምኽርን ሓበሬታን ንኽረክብ ስለዘተባብዖን ስለዝሓገዞን ብዝተዋህቦ ምኽርን መድሃኒትን ነብሱ ተቖጻጺሩ ንቡር ህይወቱ ክመርሕ ከምዝበቕዐ ይገልጽ። \"እንድዒ እምበር ከማይ ገይሩ ንፈጣሪ ዘመስግን ዘሎ ኣይመስለንን። ነቲ ዝሓለፍኩዎ ሽግር ርእየን ዘኪረን ክድቅስን ክትንስእን ወትሩ ተመስገን እየ ዝብል\" ይብል። ንነብሱ ከም ኣብነት ብምቕራብ ከኣ፡ ዝኾነ ዓይነት ሕማም ብኣግኡ እንተ ተለልዩ፡ ንዕኡ ዝበቅዕ ምኽርን ክንክንን እንተ ተረኺቡ ክመሓየሽን ክሓውን ከምዝኽእል ይምስክር። ናይ መብራት ግን ዝተፈልየ ተመኩሮ እዩ። መብራት እቲ ሕማም በዚ እዩ መጺኡኒ ክትብል ኣይትኽእልን እያ። ግን ሓደ መዓልቲ ቋንቋ እቲ እተሰደትሉ ዓዲ ተማሂራ፡ ንቤታ ክትምለስ እንከላ፡ ገለ ሰባት ይስዕቡዋን ይሃድኑዋን ዘለው ኮይኑ ተሰሚዑዋ። \"እዞም ሰባት ይተናኾሉኒ ኣለው!\" ብማለት ከኣ ፍርሒ ተሰመዓ። እቶም ሰባት ብዕድመን ኣካላዊ ግዝፍን ስለዝዓብዩዋ ከኣ \"እንተሒዞሙኒ ክረጋግጹኒ እዮም\" ኢላ ተጨኒቓ ኣብ ሓደ እንዳ ሻሂ ኣተወት። እቶም ሰባት ብዘይ ምቁራጽ ብኣፍ-ደገ እቲ እንዳ-ሻሂ ክመላለሱ ምስ ረአየቶም መሊሳ ብፍርሒ ተሓቑነት። ሓገዝ ስለዝደለየት ከኣ ናብ ሓንቲ መሓዝኣ ስልኪ ደዊላ፡ \"ክልተ ሰባት ክጎድኡኒ ደልዮም ደድሕረይ ብምኻድ ይከታተሉኒ ኣለው!\" ክትብል ነገረታ። እታ መሓዝኣ ንፍርሕን ጭንቀትን መብራት ምስ ሰምዐት ንርእሳ ሰምቢዳ \"እሞ ንፖሊስ ዘይትሕብሪ - ናይ ፖሊስ ቁጽሪ ስልኪ'ዶ ክህበኪ!\" በለታ፡ ንመብራት ክተናኾሉ ዝደልዩ ሰባት ደኣ እንታይ ዝኾኑ ኮይኖም እዮም ኢላ ብምሕሳብ። መብራት ግን ኣይደለየትን \" መሊስኪ ዲኺ ከተግድድለይ ደሊኺ? ንፖሊስ እሞ ከይትነግርለይ፡ ለይቲ መጺኦም ከይቀትሉኒ!\" ክትብል ኣጠንቀቐታ። \"እሞ እንታይ ክሕግዘኪ?\" ተጨኒቓ፡ ድላያ እንታይ ምዃኑ ክትፈልጥ ሓተተታ። \"ናብዛ ዘለኹዋ እንዳ ሻሂ መጺእኪ ንገዛኺ ውሰድኒ!\" ተማሕጸነታ መብራት። መሓዝኣ ኣይደንጎየትን፡ እቲ እንዳ ሻሂ ካብቲ እትነብረሉ ቦታ ርሑቕ ስለዘይኮነ ቀልጢፋ መጺኣታ። ምስ ረኸበታ ከኣ \"እንታይ ዝኾኑ ሰባት እዮም ኣንቲ መብራት?\" ኢላ ሓተተት። ህዱእ ምላሽ እናተጸበየት፡ \"ኣቲ ጓል ቀስ በሊ ይሰምዑና እዮም ዘለው!\" ክትብል መሊሳ ኣጨነቐታ። መሓዝኣ ንባዕላ ፈሪሓ \" ኣበይ ድዮም ዘለው?\" እናፈርሐት ተወከሰታ። መብራት በእዳዋን አዒንታን ዝኾነ ምልክት ከይሃበት፡ ናብቲ ኣፍደገ እናጠመተት \"ርኢኽዮም ሕጂ ሓሊፎም - ሓሊፎም አረ ናባና እናጠመቱ፡ እናፋጠጡልና እዮም ሓሊፎም\" በለታ እሞ፡ መሓዝኣ ኣብ ዘይትፈልጦ ነገር ትኣቱ ዘላ ኮይኑ ተሰሚዑዋ፡ \" ንምዃኑ እንታይ ኢኺ ጌርክዮም ኣበይ እዮም ረኺቦሙኺ?\" ብምባል ብገለ ነገር ተላልያቶም ከይትኸውን ሓተተታ። \" ተላኢኾም እዮም - ቅተሉዋ ተባሂሎም ተኣዚዞም?\" መለሰት መብራት። \" መን ልኢኹዎም!\" መሓዝኣ እናተጨነቐት ሕቶታታ ቐጸለት። \" ዝለኣኸ ልኢኹዎም ኣሎ ኣቲ ጓል፡ ንዕናይ ጥራሕ ካብዚ ኣውጽእኒ\" ብምባል፡ መሪሓታ ናብ ጎደና ወጽአት። ቅልጥፍ ቅልጥፍ ኢላ እናሰጎመትን ንድሕሪት ግልጽ ምልጽ እናበለትን ከኣ ተታሓሒዘን ናብ እንዳ መሓዝኣ ከዳ። መብራት ምሉእ ለይቲ ኣይደቀሰትን። ንርእሳ ተጨኒቓን ርዒዳን ንመሓዝኣ ለኪማታ። \"ርኢኺ ርኢኺ ይዛረቡ ኣለው። ኦሮማይ ፈሊጦሙና ኣብዚ ማዕጾ እንድዮም ተጸጊዖም ዘለው\" ብምባልን ንዝኾነ ድምጺ ናይቶም ኣብ ኣእምሮኣ ተሳኢሎም ዘለው ተጻባእታ ብምምሳል \"ሰሚዕክዮም'ዶ እንታይ ከምዝበሉ\" እናበለት ንመሓዝኣ ደሃለታ። መሓዝኣ ግን እቲ መብራት እትሰምዖ ድምጽን እትርእዮ ነገርን ስለዘይትሰምዖን ስለዘይትርእዮን \"እዛ ጓል ገለ ኾይና ኣላ\" ብማለት ብዛዕባ እቲ ሕማም ናብ ዝፈልጡ ሰባት ደዊላ ቅልጡፍ ሓገዝ ከምእትረክብ ገይራታ። ሕጂ መብራት፡ ብሓገዝ ሞያውያን ክንክንን ተገይሩላ፡ ኩሉ ነገር ምስሓለፈ ነቲ ኩነታት ከተዘንትወሉ እንከላ፡ \"ሕማም ስነ-ኣእምሮ ከም ዝኾነ ሕማም ይፍወስ እዩ\" ደረጃ ንቕሓት ሕብረተሰብና ገና ድሩት ስለዝኾነ ግን ኩሉ ሰብ ኣይርድኣካን እዩ። ስለዚ እየ ከኣ ብቕኑዕ ስመይን ስእለይን ተሙኩሮይ ክገልጽ ዘሰክፈኒ ብማለት በዛ ንእሽተይ ተመኩሮኣ ሓበሬታ ተመሓላልፍ። መብራህቱ እውን ተመሳሳሊ ምኽርን መልእኽትን እዩ ዘለዎ \"ኩሉ ነገር ምስሓለፈ ነቲ ኩነታት ከተዘንትወሉ ቀሊል ይመስል። 'ከይዳቶ- እንድያ' ከይብሉና ስቕ ኢልና ንኸይድ ብዙሓት ኢና።\" ግን ሕማም ስነ-ኣእምሮ ከም ዝኾነ ሕማም ይፍወስ እዩ። እቲ ዘድሊ ግቡእ ሕክምናዊ ሓገዝን ምኽርን ምዃኑ ይዛረብ። ኪኢላ ሕማማት ስነ-ኣእምሮ ኣቶ ዮውሃንስ ፈርዲናንድ ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት እውን ነዞም ክልተ ሰባት ዝበሉዎ ሓቅትታ እዩ ዘጉልሕ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝቕመጡ ሓያሎ ኤርትራውያን ኮነ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፡ ብሰንኪ ዘጋጥሞም 'ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጥን ወጥርን፡ ሰብን ነብሶምን ጎዲኦም ዝብል ወረ ክቃላሕ ጸኒሑ ኣሎ። ከም ዮውሃንስ ዝኣመሰሉ ኪኢላታት እዚ ዓውዲ፡ ሕማም ስነ-ኣእምሮ ኣብ ኩሉ ሕብረተሰብ እኳ እንተሎ ነቲ ሕማም ኣእምሮ ኣብ ክንዲ ብስነፍልጠት (ሳይንስ) ብሃይማኖታውን ባህላዊ ኣገባብን ዝርእዩዎ ሕብረተሰባት፡ ነቲ ጸቕጥን ወጥርን ከምዘጋድድዎ ይሕብሩ። ስለዚ ይብል ዮውሃንስ \"ዝኾነ ዘይንቡር ጠባያት ንዝረኣናሉ ሰብ፡ ብፍላይ መጺኦሙኒ፤ ይከታተሉኒ ኣለው፤ ይስዕቡኒ ኣለዉ፤ ዝብል ሰብ ኩነታት ቅድሚ ምኽፍኡ ካብ ዝምልከቶ ኣካላት ጥዕና ሓገዝ ክረክብ ከነተባብዖ ይግባእ\" ክብል ይመክር። ቀንዲ ዕላማ ናይዛ ኣብ መላእ ዓለም እትኽበር ዘላ መዓልቲ ሕሙማን ስነ-ኣእምሮ ከኣ ኣብ ሕብረተሰባት ኣፍልጦን ንቕሓትን ንኽዓቢ ምጉስጓስ እዩ። ኣብዛ ዕለት ብዙሓት ንሕሙማት ስነ ኣእምሮ ኣገልግሎት ዝህባ ህዝባዊ ትካላት \"እቶም ጸገም ዘለኩም መጺእኩም ተረኣዩ፡ ክንሕግዘኩም ቁሩባት ኢና!\" ይብላ። ኣብታ መዓልቲ፡ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ናብ ህዝቢ ይቐርብ። ኣብ ምምሕያሽ ሕማማት ስነ-ኣእምሮ ልዑል ኣበርክቶ ዝገበሩ ትካላትን ውልቀ ሰባትን ይሽለሙን ኣፍልጦን ይወሃቦምን። ከም መብራትን መብራህቶምን ዝኣመሰሉ ውልቀ ሰባት ከኣ ብትካላት ሚድያ ተመኩሮኦም የካፍሉ። ናይዚ ዓመት እዚ ቴማ ከኣ \"ነብሰ ቕትለት ነወግድ!\" ዝብል መሪሕ ጭርሖ እዩ። ኣብዚ እዋን'ዚ ሓደ ካብ ኣርባዕተ ሰባት በዚ ሕማም ዝተጠቕዐ ምዃኑ ጸብጻብ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና የመልክት። እቲ ውድብ ኣብ 2002፡ ኣስታት 154 ሚልዮን ካብ ህዝቢ ዓለም ብሓደ ዓይነት ካብ ሕማማት ኣእምሮ ብቕዛነትን ከምዝሳቐዩ የረድእ። ይኹን እምበር እቲ ዓለማዊ ውድብ፡ ብዙሓት ናይ ስነ-ኣእምሮ ጸገማት ዘለዎም ደቂ ሰባት ንዘለዎም ጸቕጢ ተጻዊሮም ዕለታዊ ዋኒኖም ከምዘካይዱን ንቡር ህይወቶም ከምዝመርሑን ይሕብር።","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49996502"} {"headline":"ጥዕና፡ ሽኮር ዘለዎም መስተታት ንሕማም መንሽሮ የቃልዑ'ዶ ይኾኑ?","content":"ተመራመርቲ ፈረንሳ፡ ልስሉስ መስተታትን ዕሹግ ጽማቝን ዝርከብዎም ጣዕሚ ሽኮር ዘለዎም መስተታት፡ ንሕማም መንሽሮ [ካንሰር] ዝህሉ ተቓላዕነት ክውስኽ ከም ዝገብሩ ሐሓቢሮም። ኣብ ብሪቲሽ ሜዲካል ጆርናል ዝተሓተመ መጽናዕቲ፡ ንሓሙሽተ ዓመት ኣብ ልዕሊ 100,000 ሰባት ዝተኻየደ ዳህሳስ መሰረት ዝገበረ'ዩ። ጉጅለ ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ሶርቦነ ፓሪስ፡ እቲ ጸገም ምስ መጠን ሽኮር ደም ክተኣሳሰር ከም ዝኽእል ግምቶም ይገልጹ። ንሳቶም፡ ልዕሊ 5 ሚኢታዊት መጠን ሽኮር ንዘለዎም መስተታት ሽኮራዊ ክብሉ ይምድብዎም። ጽማቝ (ዋላ ሽኮር ዘይብሎም)፣ ልስሉስ መስተታት፣ 'ሚልክሸክ' (ካብ ጸባ፣ በረድ፣ ክሬምን ካልኦትን ተሓዋዊሱ ዝስራሕ ዝሑል መስተ)፣ ወሃብቲ ሓይሊ መስተታት፣ ሽኮር ዝተወሰኾ ሻሂ ወይ ቡን ኣብዚ ዝካተቱ እዮም። ክሳብ ክንደይ ንመንሽሮ የቃልዑ? እቲ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ መዓልታዊ 100 ሚሊ ሊትር ሓለፋ እንተሰቲና ንመንሽሮ ዝህሉ ተቓላዕነት 18 ሚኢታዊት ይኸውን። በቲ መጽናዕቲ ዳህሳስ ካብ ዝተኻየደሎም ሰባት፡ ኣብ ሞንጎ ነብሲ ወከፍ 1,000 ሰባት እቶም 22 ካንሰር ተረኺብዎም። ስለዚ ኩሎም ሓለፋ 100 ሚሊ ሊትር መዓልታዊ እንተዝሰትዩ ነይሮም፡ ተወሰኽቲ ኣርባዕቲ ሰባት ግዳያት ካንሰር ምኾኑ። \"ዋላ'ኳ ሽኮራዊ መስተታት ምስ ምምዕባል ሕማም መንሽሮ ርክብ ከም ዘለዎም እንተተፈለጠ፡ ተወሳኺ መጽናዕቲ ግን ኣገዳሲ'ዩ\" ይብል ኣብ እንግሊዝ ትካል መጽናዕቲ ካንሰር ዶክተር ግርሃም ዊለር። ካብቶም ኣብ እዋን መጽናዕቲ ዝተረኸቡ 2,193 ግዳያት መንሽሮ፡ እቲ 693 ናይ ጡብ፣ 291 ናይ ፍሒኛ ከምኡ'ውን 166 ናይ ዓቢ መዓንጣ መንሽሮ ኮይኖም ተረኺቦም። መዓልታዊ ከባቢ 185ሚ.ሊ ሽኮር ዘለዎም መስተታት ዝሰትዩ ሰባት ካብቶም ትሕቲ 30ሚ.ሊ ጥራሕ ዝሰትዩ ንመንሽሮ ዝተቓልዑ እዮም። በዚ መሰረት እቶም ጣዕሚ ሽኮር ዘለዎም መስተታት ነቲ ሕማም ክትቃላዕ ናይ ምኽኣል ኣጋጣሚ ክውስኽ ከም ዝገብሩ ምዝራብ ይከኣል። ሽኮር ዝበዝሖም መስተታት ዝወስዱ ሰባት ዘማዕብልዎም ካልኦት ንጥዕና ዝጸብኡ ባህርያት (ንኣብነት ጨውን ካሎሪን ዘለዎም መግብታት ምዝውታር) ኣለዉ። እዚኦም ከኣ ንመንሽሮ ዝህሉ ተቓላዕነት ክውስኽ ዝገብሩ እዮም። ስለዚ በዚ ምኽንያት ድማ እቲ መጽናዕቲ 'ሽኮር ዘለዎም መስተታት ንመንሽሮ የቓልዑ' ኣብ ዝብል መደምደምታ ክበጽሕ ኣይመረጸን። ጉጅለ ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ሶርበነ ፓሪስ፡ ነቲ ዝተረኸበ ውጽኢት ዘጠናኽሩ ተወሰኽቲ መጽናዕትታት ምክያድ ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ይሕብሩ። ጣዕሚ ሽኮር ዘለዎም መስተታት ምስ ሕማማት ልቢ፣ ልዕሊ ዓቐን ክብደት፣ ሽኮርን ካልእን ርክብ ከም ዘለዎም'ውን እቶም ሙሁራት ይዛረቡ። ነቶም መስተታት ዘፍርዩ ኩባንያታት'ከ እንታይ ይብሉ? ማሕበር ፍርያት ልስሉስ መስተ ዓዲ እንግሊዝ \"እቶም ተመራመርቲ ከም ዝበልዎ፡ [ንመንሽሮ] መንቀሊ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ዘረጋግጽ መረዳእታ የለን\" ኢሉ። ናይቲ ማሕበር ዋና ዳይረክተር ጋቪን ፓርቲንግተን \"ልስሉስ ማስተታት ልክዕ ከም ዝተመጣጠነ መግቢ ክውሰዱ ዝኽእሉ ውሑሳት'ዮም\" ክብል ተዛሪቡ። \"ኢንዳስትሪ ልስሉስ መስተ ኣብ ምቅላስ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ እጃሞም ክፍጽሙ ከም ዘለዎም ይኣምኑ እዮም። ኣብ ምንካይ ካሎሪን ሽኮርን ድማ ይሰርሑ ኣለዉ\" ይብል።","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48947063"} {"headline":"ኬንያ፡ ኣብ መርዓ ዝተዓደመ ጋሻ ብመግቢ ተበኪሉ ሞይቱ","content":"ጋዜጣ ኬኒያ ስታር፡ ኣብ ሓደ መርዓ ተዓዲሙ ዝመጽአ ጋሻ ሟቱን ካልኦት 40 ሓሚሞም ሆስፒታል ከም ዝኣተውን ጸብጺቡ። መርመራ ተኻይዱ ዝተረኸበ ውጽኢት ድማ፡ ድሕሪ ኣብቲ ስነ ስርዓት መርዓ ምርካቦም ብኮሌራ ከም ዝተጠቐዑን ምምራዝ መግቢ ከም ዝነበረን ይሕብር። እቲ መርዓ 450 ኣጋይሽ ከም ዝነበሩዎ ይግለጽ። እዞም ሓደሽቲ መርዑ ግን በዚ ከም ዘይተጠቕዑን፡ ብቐዳም ድሕሪ ዝነበረ እንግዶት መርዕኦም ንምዝናይ ናብ ዱባይ ከም ዝኸዱን እቲ ጋዜጣ ገሊጹ። ኣባ ሓጎ እቲ መርዓዊ ግን ብሰሉስ ሞይቶም። ኣሳሳዪ እቲ መርዓ ዝነበረ ኣብዚ ጉዳይ ርኢይትኡ ኣይሃበን። ብምኽንያት ሕጽረት ንጽህና መግብን ማይን ከምኡ'ውን ውልቃዊ ጽርየት ዝብገስ ሕማም ኮሌራ ግን ምኽንያት ሞትን ሕማምን ገለ ዕዱማት ምኻኑ ተገሊጹ ኣሎ። ቅድሚ ክልተ ዓመት'ውን፡ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝተኻየደ ዓለማዊ መጋብኣያ ጥዕና ዝተሳተፉ ልኡኻት በዚ ሕማም ተጠቒዖም ነይሮም።","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49366968"} {"headline":"ክታበት እንታይ'ዩ? ከመይ ይወሃብ ሰባትከ እንታይ ይብሉ?","content":"ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት፡ ክታበት ብዓሰርታት ሚሊዮናት ናይ ዝቑጸሩ ሰባት ህይወት ምድሓን ክኢሉ'ዩ። ብዙሓት ሃገራት ግን፡ ንክታበት ዘለወን ኣረኣእያ እናነከየ ምምጽኡ ሰብ ሞያ ይዛረቡ። ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብዚ ዓመት ኣብዛ ዓለም ስግኣት'ዮም ኢሉ ካብ ዝረቑሖም 10 ነገራት እቲ ሓደ፡ ሰባት ንክታበት ዘለዎም ትሑት ኣረኣእያ'ዩ። ክታበት ከመይ ተረኺቡ? ክታበት ቅድሚ ምጅማሩ፡ ዓለም ንደቂ ሰባት ሓደገኛ'ያ ነይራ። ብመላይን ዝቑጸሩ ሰባት በብዓመቱ ሕጂ ብክታበት ብእንከላኸሎም ሕማማት ይሞቱ ነይሮም። ኣብ መበል 10ይ ክፍለዘመን፡ ቻይናውያን እቲ ናይ መጀመርታ ዓይነት ክታበት ረኺቦም። በዚ ድማ ደቂ ሰባት ብሕማም ዘምጽኡ ተሃዋስያን ከይቃልዑን፡ ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ንኽድልብን ይገብሩ ነይሮም። ድሕሪ 8ተ ክፍለዘመናት ድማ፡ ኢንግሊዛዊ ዶክተር ኤድዋርድ ጀነር፡ ጸባ ዝሓልቡ ቅልል ብዝበለ ኣገባብ ኣማዕቢሉ። ኣብቲ እዋን ፈንጣጣ ብዝለዓለ ደረጃ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝመሓላለፍ ቐታሊ ሕማም ኮይኑ፡ ካብ ሞንጎ እቶም በዚ ሕማም ዝተትሓዙ 30 ሚኢታዊት ንሞት የቃልዕ ነይሮም። ብህይወት ዝተረፉ ድማ ንዕውረትን በሰላን የቃልዖም። ኣብ 1796፡ ጀነር፡ ኣብ ሓደ ወዲ 8ተ ዓመት ጄምስ ፊሊፕስ ዝተባሃለ ህጻን ሓደ ፈተነ ገይሩ። እዚ ሓኪም ብናይ ላሕሚ ፈንጣጣ ዝተለኸፈ ሰብ ቑስሉ ኣምጊሉ ብምውሳድ ኣብቲ ቖልዓ ገይሩዎ። ድሕሪኡ እዚ ቖልዓ ምልክታት እቲ ሕማም ምርኣይ ጀሚሩ። እቲ ቖልዓ ካብቲ ሕማም ምስ ድሓነ ተሃዋስያን ፈንጣጣ ናብ ሰብነቱ ክኣቱ እንተተገበረ'ውን በቲ ሕማም ከይተለኸፈ ጥዑይ ኮይኑ ነዊሕ ጸኒሑ። እቲ ምኽንያት፡ እቲ ናይ ላሕሚ ፈንጣጣ ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ከዕቢ ስለ ዝገበሮ'ዩ። ኣብ 1798 እቲ ውጽኢት ወግዓዊ ምስ ኾነ፡ 'ቫክሲን' ዝብል ተዛማዲ ፍታሕ ቃል ላቲን ዝኾነ 'ቫካ' ብምውሳድ ክታበት ዝብል ዕላዊ ተገይሩ። እንታይ ዓወታት ነይሮም? ክታበት፡ ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት ህይወት ደቂ ሰባት ዝምንዝዑ ዝነበሩ ብዙሓት ሕማማት ኣብ ምክልኻል ልዑል እጃም ኣበርኪቱ'ዩ። ኣብ መጀመርታ 1960ታት ክታበት ምሃብ ቅድሚ ምጅማሩ በብዓመቱ 2.6 ሚሊዮን ሰባት ብሕማም ንፍዮ ይሞቱ ነይሮም። ኣብ 2000 ከምኡ'ውን 2007 ግን ብደረጃ ዓለም፡ ቑጽሪ ብምኽንያት እዚ ሕማም ናይ ዝሞቱ ሰባት ብ80 ሚኢታዊት ነክዩ። ቅድሚ ዝተወሰኑ ዓሰርተታት ዓመታት ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ብሕማም ፖሊዮ ይሞቱ ነይሮም፤ ሕጂ ግን ፖሊዪ ዳርጋ ጠፊኡ'ዩ። ገለ ሃገራት ስለምንታይ ንክታበት ይቃወማ? ቅድም ኢሉ፡ ብዙሓት ሰባት ንክታበት ዘይደልዩ ምኽንኣት ካብ ሃይማኖታዊ ኣተሓሳስባ ተበጊሶም'ዮም። ዝህቡዎ ምኽንያት ድማ እቲ ክታበት ንጹህ ኣይኮነን ወይ ድማ ናይ ምምራጽ ናጽነትና ይጻረር'ዩ ዝብል ከም ዝነበረ ይዛረቡ። ኣብ 1800ታት ሕሙማት ንብሕቶም፤ ፈሊኻ ብምቕማጥ ከምዚ ዝበሉ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምክልኻል ጻዕሪ ንግበር ዝብሉ ጸረ ክታበት ጉጅለታት ኣብ ኣሜሪካን ብሪጣንያን መጺኦም ነይሮም። ኣብ 1998 ኣብ ለንደን ዝነበረ ሓደ ዶክተር፡ ንፍዮ ዝኣመሰሉ ሕማማት ዝከላኸል ሓደ ክታበት ምስ ኦቲዝምን ካልኦት ሕማማትን ብሓሶት ብምዝማድ፡ ሓደ ጸብጻብ ወግዓዊ ገይሩ። በዚ ዝተልዓለ ቑጽሪ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ዝኽተቡ ህጻናት ነክዩ። ኣብ 2004 ጥራሕ ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ዝኽተቡ ህጻናት 100ሽሕ ጥራሕ'ዩ ነይሩ። እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ዝለዓል ሕማም ንፍዮ ኣብ ተኸታተልቲ ዓመታት ክውስኽ ገይሩ። ጉዳይ ክታበት ፖለቲካዊ መልክዕ'ውን ሒዙ ነይሩ። ሚኒስትር ውሽጢ ሃገር ዓዲ ጥልያን ማቲዮ ሳልቫኒ፡ ጸረ ክታበት ምስ ዝኸኑ ጉጅለታት እታ ሃገር'ዩ ተጸምቢሩ ነይሩ። ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብዘይ ዝኾነ መረዳእታ ክታበት ምስ ኦቲዝም ኣተሓሒዙዎ ነይሩ። ዳሕራይ ግን ወለዲ ደቆም ክኽተቡ ጸዊዑ። እንተ ዘይተኸቲብና'ኸ? ኣብ ሓንቲ ሃገር፡ እቲ ልዑል ቑጽሪ ዝሕዝ ህዝቢ ክታበት እንተረኺቡ ነቶም ቀተልቲ ሕማማት ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ይዛእድ። በዚ መገዲ፡ ሕማም ንምክልኻል ክኽተብ ዘለዎ በዝሒ ህዝቢ ብዓይነት እቶም ሕማማት ዝተፈላለየ'ዩ። ንፍዮ ንምክልኻል ልዕሊ 90 ሚኢታዊት ህዝቢ ክኽተብ ኣለዎ፤ ንፖሊዮ ድማ ልዕሊ 80 ሚኢታዊት ህዝቢ ክታበት ክረክብ ኣለዎ። ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ኣሜሪካ አብ ብሩክሊን ዝርከቡ ኣይሁዳውያን ክታበት ምስ ኦቲዝም ከም ዝራኸብ ዝሕብር ጽሑፍ ኣባዚሖም። በዚ ምክንያት ማሕበረሰብ ኣሜሪካ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመታት ካብ ዘጋጠሙ ለበዳታት ንፍዮ እቲ ሓደ ተራእዩ። ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም ዘውጽኦ ሓበሬታ ግን፡ ኣብ ዓለም ዘለው ህጻናት ክወስዱዎ ካብ ዘለዎም ክታበት ብምውሳድ ናይ ቑጽሪ ለውጢ እንተመጽአ'ውን፡ እቲ ብዝሒ 85 ሚኢታዊት ጥራይ'ዩ ኢሉ። እቲ ትካል ከም ዝብሎ፡ ክታበት ኣብ ዓመት ዘጋጥም ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሚሊዮን ዝግመት ሞት ይገትእ።","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48687076"} {"headline":"ጥዕና፡ \"ንከጥቡ ድልውቲ'የ ነይረ፡ ግን....\"","content":"ምጥባው ጸባጡብ ንዕሸላት ይኹን ንኣዴታት ዘደንቕ ጥቅሚ ኢዩ ዘለዎ። ውድብ ጥዕና ዓለም ከም ዝብሎ ጸባጡብ ምጥባው ክሳብ ነፍሲ ወከፍ ኣደ ትገብሮ ክብ እንተዝብል ነይሩ፡ ዓመታዊ ህይወት 800 ሽሕ ሰባት ካብ ሞት ምተረፉ። ንብዙሓት ግና ጸባ ጡብ ምጥባው ማለት 'ከም ንቆልዓ ሓፍ ኣቢልካ ኣብ ጡብካ ምጽጋዕ' ቀሊል ኣይኮነን። ሓንቲ ኣደ ድሒራ ዝረኸበቶ ግንዛበ ኣካፊላትና ኣላ። ኣብ ናይ ቅድመ-ወሊድ ትምህርትታት ከይደ፡ ብፈትሊ ብዝተኣልሙ ኣጥባት ተጻዊተ፡ ንምጥባው ዝሕጉዙኒ መትሓዚ ጡብ ዓዲገ፡ በቃ ኣጥባዊት ኣደ ንምኳን ፍጹም ተዳልየ። ይኹን'ምበር ድሕሪ ክልተ መዓልታት ሕርሰይ፡ ጸባ ጡበይ ጥብ ጥብ እናበለ ኢዩ ዝወጽእ ዝነበረ። ብዝከኣል መጠን ኣጥባተይ ክደርዞ፣ ስብሒ ዘሎዎ መግቢ ክወስድን ጃሎናት ጸባ ላም ክሰትን ጀሚረ። ኣብ ሳልሳይ መዓልተይ ሓንቲ ክትበጽሓኒ ዝመጸት መሕረሲት ውላደይ ዓጸቦ ከም ዝገጠሞን ብቅልጡፍ ሆስፒታል ክምለስ ከም ዘለንን ትእዛዝ ሂባትኒ። ኣብ ሆስፒታል መካኒካዊ መሳርሒ ብምጥቃም ጸባ ጡብ ክቐድሑለይ ኣብ ዝፈተንሉ፡ ጸባ ዘይኮነስ ብኣጥባተይ ደም ኢዩ ዝወጽእ ነይሩ። እንታይ እየ ዝኸውን ዘለኹ? ነብሰይ ንኣደነት ኣይተቐበለቶን ድያ? ብምባል ሓሲበ። ሕንጫል ውላደይ ገለ ጸባ እንተረኸበት ጫፍ ጡበይ ክሳብ ዝነቅዕ ብዘለዋ ሓይሊ ትስሕብ ነይራ። ጸባ ጡብ ብተፈጥሮ ትም ኢሉ ከም ዘይወርድ ኣቐዲመ ፈሊጠ ነይረ እንተዝኸውን መን ምሃበ። እዚ ግና ናይ እናሻዕ ምፍታን መስርሕ ኢዩ። ዝያዳ ብዝፈተንካን እናተሞኮርካ ብዝኸድካን መጠን፡ ዝያዳ እናኸኣልካዮን ውጽኢታዊ እናኾንካን ትኸይድ። እዚ ግና ቐሊል ኣይኮነን፤ ገለ እዋንስ ኣዝዩ ኣቐንዛዊ ውን ኢዩ። ነብሰይ ተለማሚድዎ ውላደይ ጸባ ጡብ ክትጠብው ምስ ጀመረት፡ ነብሰይ ግዜ ዝበሃል ክትረክብ ተጸጊማ። ዝድቅሰሉን ዝሕጸበሉን ግዜ ከይተረፈ ኢየ ክስእን ጀሚረ። መስትያት ምርኣይ እሞ ዳርጋ ዘይሕሰብ ኢዩ። ሳሕቲ ደገ ምውጻእ ጽቡቕ ሓሳብ ኢዩ፤ ግን \"ጎረባብቲ እንታይ ክብሉ ኢዮም? ብጾተይ'ከ እንታይ ይብሉ?\" ነቶም ቅድሚ ሕጂ ዝፈትዎም ዝነበርኩ ቦታታት ደሓን ኩኑ ኢለዮም። ከውታ ለይቲ ይበራበር፡ ነብሰይ ካብ መላእ ዓለም ተነጺላ ምስታ ዕሽል ይረኽባ። ማንም ደጋፊ ዘይብለይ ብቃዝኖት ድሕረ-ወሊድ ሰንከልከል ክብል ጀሚረ። ርእስኻ ምክንኻን ልዕሊ ነቲ ህጻን ትገብሮ ክንክን እኳ እንተዘይበልኩ ግናኸ ማዕሪኡ ምኳኑ ኣፍልጦ እንተዝነብረኒ ኣበይ ክረኽቦ። ጥዕይትን ግቡእ ክንክን ትረክብን ወላዲት ካብ ሻቅሎት ዝመልኣን ቅዛነት ዘለዋን ዝተረመሰት ኣደ ኣጸቢቓ ትበልጽ። ውላደይ ኣብ ሆሰፒታል ንመጀመርታ ግዜ ፎርሙላ (ንህጻናት ዝወሃብ ዝተሓዋወሰ ቀመማት ዘለዎ መግቢ) ምስ ተዋህባ ንሰዓታት ኢያ ደቂሳ። ሽዑ ይዝከረኒ ብኣእምሮይ ከሰላስል። ጓለይ ክትድቅስ እንተደኣ ኾይና ኣብ ክንዲ ጸባ ጡብ ፎርሙላ ክህባ ኣሎኒ ክብል ሓሲበ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግና ብናይ ጣዕሳ ስምዒት ተጎቢኤ። ጸረ ባህርያዊ መገዲ ምኳኑ ከርእየኒ ዝደለየ እንክመስል፡ ፎርሙላ ኣብ መልሓስ ጓለይ ገለ ዝተርፍ ጻዕዳ ነገር ክገድፈላ ጀሚሩ። ንጓለይ ኣብ ክንዲ ምቁርን ማእዛታት ዝመልኦን ጸባ ጡብ ዝምግባ፡ ገፈጥመፈጥ እምግባ ከም ዘለኹ ተሰሚዑኒ። ኣብ ገለ እዋን ንርእሰይ ከመኽንየላ ክጅምር ከለኹ፡ ናይ ገበንነት ስምዒት ተመሊሱ ይሃድነኒ፤ \"ዝያዳ ክቃለስ ነይሩኒ፡ ክድቅስ ኢለ ምሕሳበይ ቅኑዕ ኣይነበረን\" ብምባል ይሓስብ። ምንም ዝግበር የለን ጣዕሳ ጥራይ ኢዩ ዝስመዓካ፡ እዚ ግን መርገም ሓላፍነታውያን ወለዲ እንበር ናይ ዘይረብሑ ወለዲ ኣይኮነን። ናይ ምጥባው ጉዳይ ናይ ቢሊዮናት ዶላር ኢንዳስትሪ ኢዩ። ንዝኾነ ይኹን ንእሽቶ ሒቕታ ብዝግባእ ዝተዓሸገ፡ ገንዘብካ ዝወስድ ዝተሓዋወሰ ቀመማትን ኣብ ጡብ ተቐሚጡ ዝሕግዘካ መሳርሒታትን መሊኡ ኢዩ። ኣብ ከባብየይ ኣብ ዘሎ ዓቢ ድኳን ካብቲ ዝደቐቐ ክሳብ እቲ ዝፈረየ ዓይነታት መግብን ከሬማትን ዝመልአ ዓቢ ከብሒ ከም ዘሎ ተገንዚበ። ንዓይ እቲ ዝበለጸ ፍታሕ ግና ናብ ናይ ምጥባው ዓውደ መጽናዕትታት ምስታፍን ካብቶም ዝያዳ ፍልጠትን ተሞክሮን ዘለዎም ምምሃርን ኢዩ ነይሩ። ብዛዕባ ምጥባው ዝሽገር ኣነ ጥራይ ንበይነይ ከምዘይኮንኩ ዝፈልጥ ነይረ እንተዝኸውን ክንደይ ጽቡቕ ምኾነ። ኩሉ ግዜ ደገፍ ኣሎ፡ ግናኸ ሓገዝ ክትደሊ ከሎካ መብርሂ ምሕታት ኣዝዩ ወሳኒ ኢዩ። ጸባጡብ ምጥባው ምርጫ ኢዩ። ንዓይ ከም ዝመስለኒ ድማ እቲ ቀዳማይ ምርጫ ንሱ ኢዩ። ይኹን እንበር ጸባ ጡብ ከተጥቡው ዘይምድላይ ወይ'ውን ዘይምኽኣሉ ዘይትረብሕ ወላዲት የብለካ ማለተይ ኣይኮነን።","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49188965"} {"headline":"\"ካብ ሕጂ ንንየው ንዓለም ብዝተፈለየ ኩርናዕ'የ ክርእያ\" ኣቦ ደራፊት ብዮንሰ","content":"ኣቦ ፍልጥቲ ደራፊት ብዮንሰ ዝኾነ ማቲው ኖውለስ፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት መንሽሮ ጡብ ከምዘለዎ ከምዝተሓበሮ ገሊጹ። እዚ ወዲ 67 ዓመት ዝኾነ ኣቦ፡ ኣብ መደብ 'ጉድ ሞርኒንግ ኣሜሪካ' ቀሪቡ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ መጥባሕቲ ድሕሪ ምግባሩ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከም ዝርከብ ሓቢሩ። ማቲው ኖውለስ፡ ኣብ ክዳኑን ቀልቀሉን ነጠብጣብ ደም ምስ ርኣየ፡ ናብ ሕክምና ኸይዱ፡ መርመራ ምስ ገበረ፡ መንሽሮ ጡብ ከምዘለዎ ከም ዝተሓበሮ እዩ ገሊጹ። \"ኣብቲ መጀመርታ ንምንታይ ንዓይ ዝብል ስምዒት ወሪሩኒ ነይሩ\" ዝበለ ክኢላ ሙዚቃን መዳርን ማቲው ኖውለስ፡ ድሒሩ ግን ክቕበሎን፡ እንታይ ክገብር ከምዘለዎ ክሓስብ ከምዝጀመረ ገሊጹ። መንሽሮ ጡብ ደቂ ተባዕተዮ፡ ስሕት ስሕት ኢሉ ዝረአ ኮይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ልዕሊ 60 ዓመት ዕድሚኦም ደቂ ተባዕትዮ የጥቕዕ። መጥባሕቲ ድሕሪ ምግባሩ ካብ ብዙሕ ነገራት ክጥንቀቕ ከም ዘለዎ ዝተነገሮ ማቲው ኖውለስ \"ካብ ሕጂ ንንዮው ንዓለም ብዝተፈለየ ኩርናዕ'የ ክርእያ፡ እቶም ኣብ ሂወትይ ኣገደስቲ እዮም ዝብሎም ዝነበርኩ ገለ ንጥፈታት፡ ሕጂ ግን ኣገደስቲ ኣይኮኑን\" ኢሉ። ማቲው ኖውለስ፡ ኣብ ስራሓቲ መዚቓ ዓቢ ስም ዘለዎ ኮይኑ፡ ንደስቲኒ ቻይልድ ዝጥርንፍ ዝነበረ ሰብ እዩ። መንሽሮ ጡብ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ፡ ምስ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ብምንጽጻር ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ 2017፡ 319 ደቂ ተባዕትዮ፡ 46000 ደቂ ኣንሰትዮ መንሽሮ ጡብ ከምዝተረኸቦም ካብ ሃገራዊ ስታትስቲክስ እታ ሃገር ዝተረኸበ ጸብጻብ ይሕብር።","category":"ዝተመጣጠነ መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49944136"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ ኣብ ገለ መግብታት ንመዓልታት ክጸንሕ ከምዝኽእል ትፈልጡ’ዶ?","content":"ተመራመርቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኮሮናቫይረስ ብፍላይ ኣብ ዝተዓሸገ መግቢ ንመዓልታት ክጸንሕ ከምዝኽእል ኣረጋጊጾም። ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት እታ ሃገር ኣብ ዘውጽእዎ መጽናዕቲ፡ ነቲ ቫይረስ ኣብ ዝተወሰኑ ዕሹጋት መግቢ ፈቲኖምዎ። እዚ ድማ ኣብ ኣሕምልትን ፍረታትን፡ ኬክን ባኒን ከምኡ’ውን ኣብ ዝተዓሸገ መስተታት ተፈቲኑ። እቶም ተመራመርቲ፡ ከይሓጸብካ ወይ ከይበሰለ ክብላዕ ዝኽእል መግቢ ብምምራጽ እዮም ፈቲኖሞ። እዚ ግን ንተጠቀምቲ ዝወሓደ ሓደጋ ምዃኑ ገሊጾም። ኣብ መብዛሕትኡ ፍርያት መግቢ፡ እቶም ተመራመርቲ ዘቐመጥዎ መጠን ቫይረስ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ርኡይ ምንካይ ኣርእዩ። ኣብ ገለ ዝተዓሸጉ መግብታት ግን እቲ ቫይረስ ክሳብ ሓደ ሰሙን ክጸንሕ ከምዝኽእል ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ሳውዝሃምፕተን ይገልጹ። ብመሰረት እቶም ነቲ ቫይረስ ወሲዶም ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ፡ \"ብከምዚ ዝበለ መጽናዕቲ ከምዚ ዓይነት ውጽኢት ምርካቡ ኣገዳሲ'ዩ\" ይብሉ። እቶም ተመራመርቲ፡ ተጠቀምቲ ኣእዳዎም ክሕጸቡ፡ ብፍላይ መግቢ ኣብ ዘዳልዉሉ እዋን፡ ከምኡ’ውን ዘይበሰለ መግቢ ተሓጺቡ ክብላዕ ተላቢዮም። ብተወሳኺ እቲ ቫይረስ ኣብ ከም ብሮኮሊ ዝኣመሰሉ ሓርፋፍ ገጽ ዘለዎም ኣሕምልቲ ንነዊሕ እዋን ከም ዝጸንሕ ኣረጋጊጾም። ኣብ በዓል ሜለ ዝኣመሰሉ ፍሩታት ግን በቲ ኣብ ቆርበት ዘሎ ኬሚካል ኣብ ውሽጢ ካልኢታት ወይ ሰዓታት ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ቫይረስ ክቐትሎ ከምዝጅምር እቲ መጽናዕቲ የረድእ። ኣብ ኬክን ባኒን ኣብ ዝገበርዎ ፈተነታት፡ ኣብ ገለ ደረቕ ገጽ ዘለዎም ኬካት ቁጽሪ ቫይረስ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ከም ዝነከየ ገሊጾም። እዚ ምናልባት እቶም ኬካት እንቋቑሖ ስለዝሕወሶ ብሰንኪ እቲ ኣብቲ እንቋቑሖ ዘሎ ኣሲድ ክኸውን ከምዝኽእል ኣተንቢሆም እቲ ቫይረስ ኣብ ፎርማጆን ዝሑል ስጋን ንመዓልታት ሓደ ሓደ ግዜ እውን ንሰሙናት ብህይወት ክጸንሕ ከምዝኽእል ተረጋጊጹ ኣሎ። ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ፕላስቲክ ናይ ኣቑሑት ክሳብ ሓደ ሰሙን ክጸንሕ ይኽእል። ኣብ ካርቶን ንውሑዳት መዓልታት፡ ኣብ መዐሸጊ ኣሉሚንየም ድማ ንውሑዳት ሰዓታት ክጸንሕ ከምዝኽእል እቶም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ገሊጾም።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cpeqdq0e8d3o"} {"headline":"ንበልዖን ንሰትዮን ኣብ ናይ ምዝካር ክእለትና ዘለዎ ጽልዋ","content":"ሓደ ሓደ ግዜ ናይ መሓዛኹም ኣድራሻ፡ በዓላት፡ ሽም ምሳኹም ዝሰርሕ ሰብ ግብ ኢሉ’ዶ ይጠፍኣኩም? እዚ ኩሉ ምስ ናይ ምዝካር ክእለትና ዝተሓሓዝ’ዩ፤ እቲ ምዝካር ናይ ሕጂ፡ ናይ ቀረባን ናይ ነዊሕ ዝገበረን ክኸውን ይኽእል። ንምዃኑ እንበልዖን እንሰተዮን ነገር ንናይ ምዝካር ክእለትና ክጸልዎ'ዶ ይኽእል ይኸውን? ክኢላ ስነ ኣእምሮ ኪምበሊ ዊለሰን፡ መግብን መስተን ምስ ምዝካር ዘለዎ ምትእስሳር ዘርዚራ ኣቕሪባቶ’ላ። ብመሰረቱ ሰለስተ ዓይነት ተዘክሮታት እዩ ዘለና፤ ናይ ሓጺር ግዜ ተዘክሮ [Short term memory] ናይ ስራሕ ተዘክሮ [working memory] ከምኡ ኸኣ ናይ ነዊሕ ግዜ ተዘክሮ [long term memory] ተባሂሉ ኸኣ ይጽዋዕ። እቲ ሓጺር ተዘክሮ፡ ኣእምሮና ናይ ሕጂ ዝተፈጸመ ዝኽዝነሉ’ዩ። ኣብዚ፡ ሕጂ ዝተነገረና ቁጽሪ ተሌፎን ኣብ መዝገብ ከየስፈርና ዘኪርና ጥራይ ክንድውል እንከለና ከም ኣብነት ክጥቀስ ይኽኣል። እቲ ናይ ስራሕ ተዘክሮ ኸኣ፡ እናሰራሕና እንከለና ምስቲ ስራሕ ዝተኣሳሰር እንዝክረሉ እዩ። እዚ ኣኼባ እናኣካየድና እንከለና እቲ ካልእ ሰብ ዝበሎ እንክዝነሉን እንርድኣሉን ከምኡ'ውን ምስቲ ቀዲሙ ዝነበረ ኣተኣሳሲርና ኸኣ ሓሳብና ንኽንህብ ዝሕግዝ እዩ። ናይ ነዊሕ ግዜ ተዘክሮ ኸኣ ናይ ቅድሚ መዓልታት፡ ኣዋርሕን ዓመታትን ዝነበረ ፍጻመ እንዝክረሉ እዩ። እዚ ማለት ናይ ነዊሕ ግዜ ተዝክሮ እኩብ ድምር ናይ ሓጺርን ናይ ስራሕን ተዘክሮታት’ዩ። እንበልዖን እንሰትዮን ኸኣ ብቐጥታ ኣብ ናይ ምዝካር ክእለትና ዓቢ ጽልዋ እዩ ዘለዎ። ኣብ ናይ ምዝካር ጸገም ዘለዎም ኣረጋውያን ዝተገበረ መጽናዕቲ፡ መዓልታዊ 500 ሚሊ ሊትር ጽማቕ ናይ ወይናይ ወይኒ ን12 ሳምንታት ድሕሪ ምውሳዶም፡ ዝያዳ ቃላት ከጽንዑን ክሕዝዎምን ከምዝኽኣሉ የርኢ። ኣብ ህጻናት ዝተገበረ መጽናዕቲ’ውን እቶም ኣብ መዓልቲ 240 ግራም ብሉቤሪ ዝተብሃለ ዓይነት ፍረ ዝበልዑ ህጻናት ዝያዳ ቃላት ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ከጥርዩን ቅድሚ ክልተ ሰዓታት ንዝረኣይዎ ነገር ጽቡቕ ገይሮም ንኽዝክርዎ ከምዝሓገዞም ኣረጋጊጹ። ወይናይ ወይኒን ብሉቤርን ኣብ ውሽጦም ዕምባበኦም ሰማያዊ ንኽኸውን ዝሕግዝ ትሕዝቶ ‘ኣንቶሳይኒኒ’ ዘለዎም ኮይኖም፡ እዚ ናብ ውሽጢ ኣካልና ምስ ኣተወ ጭዋዳታትና ዝያዳ ንኽልስልሱን ናብ ሓንጎልና ዝውሕዝ ደም ንኽውስኽን ዝሕግዝ እዩ። እዚ ኸኣ ብርቱዕ ሓይሊ፡ መኣዛን ኦክስጅንን ንኽንረክብ ስለዝሕግዝዘና ናይ ምግንዛብ ዓቕምና ከምዝብርኽ ይገበር። ንነዊሕ ግዜ ቀጠልያ ሻሂ ምስታይ’ውን ናይ ሓጺር ግዜ፡ ናይ ስራሕን ናይ ነዊሕ ግዜን ተዘክሮና ንኽብርኽን ናይ ምግንዛብ ዓቕምና ንኸይንክን ይሕግዝ’ዩ። ልዕሊ 70 ሚኢታዊት ካብ ካካዋ ዝተሰረሐ ጸሊም ቸኮላታ’ውን ናብ ሓንጎልና ዝኸይድ ደም ስለዘበርኾ ንተዘክሮና ሓጋዚ’ዩ፡ እንተኾነ ዘይምብዝሑ ይምረጽ። ብሓፈሻ ፍረታት፡ ኣሕምልቲ፡ ዓሳን ባልደንጓን ዝርከቦ ጥዕንኡ ዝተሓለወ መግቢ ምምጋብ ንናይ ምዝካር ክእለትና ኣዝዩ ከምዘመሓይሾ’ውን ንነዊሕ ዓመታት ዝተኻየደ መጽናዕቲ የርኢ። ንተዘክሮና ከልዕል ዝኽእል መግቢ ካብ ፈለጥናዮ ንተዘክሮና ዝሃሲ መግቢ ኸኣ ኣሎዶ ንዝብል’ውን ክንድህስሶ። ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ሰባትን እንስሳታትን ክካየድ ዝጸነሐ መጽናዕቲ፡ ዝተመስርሐ መግቢ ኣብ ናይ ምዝካር ክእለትና ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዘለዎ’ዩ ዘርኢ። 110 ጥዑያትን ዝተመጣጠነ መግብን ዝበልዑ ሰባት ንሓደ ሰሙን ዝተመስርሐ መግቢ ድሕሪ ምብልዖም ናይ ምዝካርን ክእለቶምን ሸውሃቶምን ክጎድል’ዩ ተራእዩ። ዝተመስረሐ መግቢ፡ ብዙሕ ሽኮር፡ ውሑድ ፍሩታን ውሑድ ጽሕጎ ዘለዎ መግቢ ምምጋብ ኪኖ ናይ ምዝካር ዓቕምና ምድኻም፡ ሕማም ረሲዕ’ውን ከስዕበልና ይኽእል እዩ። ስለዚ ጥዑይ መግቢ ምብላዕ፡ ኣብ ቁርስና ፍሩታ፡ ኣብ ድራርና ሓምሊ ምብላዕ ጽቡቕ ናይ ምዝካር ክእለት ንክህልዋና ኣዝዩ ሓጋዚ ምዃኑ’ዮም ክኢላታት ዝሕብሩ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/czqdqlw6e98o"} {"headline":"ኔዘርላንዳዊት ከተማ ሃርለም መወዓውዒ ስጋ ብምእጋድ ኣብ ዓለም ፈላመይቲ ክትኸውን ትኽእል’ያ","content":"ኣብ ኔዘርላንድ እትርከብ ከተማ ሃርለም መወዓውዒታት ስጋ ካብ ህዝባዊ ቦታታት ከም እትእግድ ተገሊጹ። ስጋ ኣብ ለውጢ ከባቢ ኣየር ብሰንኪ ዝፈጥሮ ጽልዋ እያ፡ እታ ከተማ ነዚ ስጕምቲ ክትወስድ ተበጊሳ ዘላ። እዚ ንፈለማ እዋን በዛ ከተማ ዝውሰድ ዘሎ ተባሂሉ ዝሕሰብ ስጕምቲ፡ ካብ 2024 ጀሚሩ እዩ ተግባራዊ ክኸውን። እዚ ብኽሩንሊንክስ ዝተባህለ ሓምላይ ፖለቲካዊ ሰልፊ ዝረቐቐ ንድፊ እማመ፡ ድሮ ካብ ጽላት ስጋን ካልኦት ንመሰል ናጽነት ምዝራብ ዝግህስ እዩ ኢሎም ዝከራኸሩ ወገናትን ተቓውሞ ኣጋጢምዎ ኣሎ። ሕቡራት ሃገራት ከም ዝብሎ፡ ጥሪት 'ሚተይን' ንዝተባህለ ባእታ ሓዊሱ ልዕሊ 14 ሚእታዊት ሰብ ዝሰርሖም ጋዛት ግሪን ሃውስ (ሓምለዋይ ገዛ) የመንጭው። ኣብታ 160 ሽሕ ህዝቢ ዝነብራ ከተማ፡ እዚ እማመ ክልከላ መወዓውዒ ስጋ፡ ነቲ ብቐጻልነት መፍራይ ስጋ ዝምልከት መወዓውዒታት ዘጠቓልል ብዛዕባ ምዃኑ ገና ኣይተወሰነን ዘሎ። ነዚ እማመ ዝነደፈ ኣባል ሰልፊ ኽሩንሊንክስ ዝጊ ክላዘስ፡ ኣባል ባይቶ እታ ሃገር እዩ። ንሱ፡ “ስጋ ንከባቢ ኣየር ኣዝዩ ጐዳኢ’ዩ። ቅልውላው ክሊማ ከምዘሎ ኸኣ ንሰባት ክነግሮም ኣጸጋሚ እዩ። ስለዚ ኣካል እዚ ክሊማዊ ቅልውላው ዝዀኑ ፍርያታት ክዕድጉ ክነተባብዖም ኣይግባእን'ዩ፡” ኢሉ። እዚ እማመ፡ ብኣባላት ባይቶ ውድብ ክርስትያን ዲሞክራቲክ ቻለንጅ (Christian Democratic Challenge ) እውን ተቐባልነት ረኺቡ’ሎ። ብኣንጻሩ፡ ካብ ኢንዳስትሪ ስጋ ዝተዋህበ ግብረ መልሲ ኣዝዩ ቅልጡፍ’ዩ። ወሃቢ ቓል ማእከላይ ትካል ጽላት ስጋ እታ ሃገር፡ “ሰብመዚ ንሰባት እንታይ ከም ዝጠቕሞም ንምዝራብ ኣርሒቘም ይኸዱ ኣለዉ” ኢሉ። ውድብ የማናይ ክንፊ ቢቪኤንኤል (BVNL) ብወገኑ፡ “ተቐባልነት ዘይብሉ ንነፃነት ምህዞ ስራሕ ዝግህስን ንኣርባሕቲ ሓሰማ ኸኣ ዝቐትልን እዩ” ክብል ተቓዊምዎ። ኣባል ባይቶ ጆይ ሬድሜከር ካብ ሰልፊ 'ቢቪኤንኤል'፡ “ብፖለቲካዊ ዕላማ ተደሪኽካ መወዓውዒታት ምእጋድ፡ ምልካውነት’ዩ” ኢሉ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኽሮኒንገን መምህር ሕጊ ዝዀነ ፕሮፌሰር ሄርማን ብሮሪንግ፡ እዚ እገዳ፡ ንመሰል ምግላጽ ሓሳባት ክግህስ ከም ዝኽእል ብምሕባር፡ ነጋዶ ሕጋዊ ክሲ ክምስርቱ ከም ዝኽእሉ'ውን ኣሚቱ። ስታትስቲክስ ኔዘርላንድ ከም ዝሕብሮ፡ ኣስታት 95 ሚእታዊት ኔዘርላንዳውያን ስጋ ዝምገቡ ኰይኖም፡ ልዕሊ ፍርቂ ግን መዓልታዊ ስጋ ኣይምገቡን። ኣምስተርዳምን ሄግን ዝተባህላ ዓበይቲ ከተማታት ኔዘርላንድ፡ መወዓወዒታት ኣቪየሽንን ተፈጥሮኣዊ ነዳድን ድሮ ከም ዝኣገዳ ዝፍለጥ እዩ። ስጋ ከብቲ፡ ሚቴን ዝርከቦ ልዑል ሙቐት ኣየር ዝፈጥር ጋዝ ዘመንጩ ክኸውን እንከሎ፡ ስጋ ጤለበጊዕ ድማ ካብ ስጋ ከብቲ ቀፂሉ ብ50 ሚእታዊት ዝነኣሰ ኣብ ከባቢ ኣየር ጽልዋ ይፈጥር። ኣብ ሃዋሁ ምድሪ ዝርከቡ ቀንዲ ጋዛት ግሪንሃውስ፡ ሃፋ ማይ፡ ካርቦንዳይኦክሳይድ፡ ሚተይን፡ ናይትረስ ኦክሳይድን ኦዞንን እዮም። ግሪን ሃውስ ማለት (ሓምለዋይ ገዛ) መናድቕን ናሕስን ዘለዎ ህንጻ እዩ። ከም ኮሚደረን ትሮፒካዊ ዕምባባታትን ዝኣመሰሉ ኣትክልቲ ንምብቋል ከኣ የገልግል። እቲ ሓምላይ ቤት ኣብ እዋን ክረምቲ እንተዀነ እውን፡ ውሽጡ ማሙቕ እዩ። ቀትሪ ብርሃን ፀሓይ ኣብቲ ሓምላይ ገዛ ይበርህ እሞ፡ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ኣትክልትን ኣየርን ይመውቕ። ለይቲ፡ ዋላ'ውን ኣብ ግዳም ዛሕሊ እንተሎ እቲ ውሽጢ ገዛ ግና ኣዝዩ ምዉቕ እዩ። ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ፡ መናድቕ እቲ ግሪን ሃውስ ንረስኒ ፀሓይ ስለ ዝዕቅቦ እዩ። ይዅን እምበር ጸቐጢ ጋዛት ሓምላይ ገዛ፡ ንመሬት ብርቱዕ ጩራ ፀሓይ ንኸይወርድ ዝከላኸል ቀጸላታት ኦዞን ሽፋን ምድሪ ስለ ዘርቅቘ ዘይንቡር ዋዕን ለውጢ ክሊማ ይኽሰት ኣሎ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw8e7975337o"} {"headline":"መራሕቲ ትግራይ፡ ‘ነዳዲ ሰሪቖም’ ንዝብል ክሲ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ነጺጎም","content":"መራሕቲ ትግራይ፡ እቲ ብዋና ዳይረክተር ምግቢ ዓለም ዝቐረበ ‘ሰብመዚ ትግራይ ነዳዲ ሰሪቖም’ ዝብል ክሲ ከምዘሕዘኖም ብምግላጽ ነጺጎምዎ። ንሳቶም፡ ኣማስዮም ብወገን ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ወጻኢ ኣቢሎም፡ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ሰብመዚ ትግራይ፡ ቅድም ክብል ንፕሮግራም ምግቢ ዓለም ልዕሊ 600 ሽሕ ሊትር ነዳዲ ኣለቂሖምዎ ከምዝነበሩን ብውዕሎም መሰረት ብዓይነት ክምለስ ከምዝጠለቡን ሓቢሮም። ወሲኾም፡ እቲ ነዳዲ ን ሆስፒታላት፣ ክሊኒካትን ማእከላት ጥዕናን ትግራይ ከምዝውዕል ኣፍሊጦም። ሓለፍቲ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሊትሮ ነዳዲ ብሰብመዚ ትግራይ ከም ዝተሰርቀ ኣፍሊጦም ነይሮም። እቲ ትካል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተሰሪቐ ዝብሎ ዘሎ ነዳዲ ኣብ ትግራይ ሓገዝ ንምብፃሕ ዝውዕል ከም ዝነበረ እዩ ገሊፁ። ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል፡ ዴቪድ ቢስለይ፡ ኣብ ትዊተሩ ኣብ ዘስፈሮ ፅሑፍ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንስራሕቲ ረድኤት ዝጥቀመሉ ዝነበረ 570 ሽሕ ሊትሮ ነዳዲ \"ብሰብመዚ ትግራይ\" ከም ዝተሰርቀ ሓቢሩ። ወሃቢ ቃል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ስቴፋን ዱጃሪክ ኣብ ኒውዮርክ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ሓይልታት ትግራይ ትማሊ ረቡዕ ኣብ መቐለ ዝርከብ መኽዘን ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ብሓይሊ ከምዝዘመትዎ ኣፍሊጡ። 570 ሽሕ ሊትሮ ነዳዲ ዝተፃዕና 12 መኻይን ከምዝተዘረፉን ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ነቲ ተግባር ደው ከብልዎ ፈቲኖም ከምዘይተዓወቱን ኣረዲኡ። ውድብ ሕቡራት፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ መኽዘን ብሓይሊ ምእታዎምን ዘመተ ምፍጻሞምን ብምኹናን፣ ኩሎም ወገናት ንዓለም ለኸ ሕጊ ሰብኣዊ ሓገዝ ከኽብሩ ፀዊዑ። እቲ ዝተዘምተ ነዳዲ ነቲ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ክልል ትግራይ ንዘብፅሖ መግቢ፣ ድኹዒን ካልኦት ረድኤትን ዝውዕል ምዃኑ ብምዝኽኻር እቲ ዝተፈጸመ ዝምታ ነቲ ስራሕ ከምዘተኣጓጕሎ ኣረዲኡ። ዋና ዳይሬክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዴቪድ ቢስለይ ብወገኑ፡ በቲ ካብ ትካሉ ዝተሰርቀ ነዳዲ ቁጥዐኡ ኣብ ዝገለጸሉ ጽሑፍ፡ ነቲ ተግባር \"ዘቖጥዕን ዘሕፍርን\" ክብል ገሊፅዎ። ንሱ እቲ ዝተሰርቀ ነዳዲ ብቕልጡፍ ክምለስ ፃውዒት ዘቕረበ ኮይኑ፤ ነዳዲ ኣብ ዘይህልው ግን ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝርከቡ ሚልዮናት ከም ዝጠምዩ ኣተሓሳሲቡ። መራሕቲ ትግራይ፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣብቲ ክልል ምስ ዝርከቡ ተወከልቲ እቲ ትካል ከምዝዘራረብሉ ብምግላጽ፡ ሓላፊ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም፡ ዝተጠቐመሎም ቃላት ግና፡ “ብሚልዮናት ንዝቑጸሩ ተጋሩ ንዝገደደ ስቓይ ክቃልዑ ዝገብር እዩ” ክብሉ ከሲሶም። እቲ ዋና ዳይሬክተር ትማሊ ረቡዕ 18 ነሓሰ\/2014 ነዚ ፅሑፍ ኣብ ትዊተሩ ዝጠቅዐ መራሕቲ ህወሓትን ፌደራል መንግስትን ንሓድሕዶም መጥቃዕቲ ተኸፊቱና ብዝብል ድሕሪ ምክሳሶም እዩ። ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተላብዐን ኣስታት ክልተ ዓመት ዝፀንሐን ኲናት ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ሰባት ክፈናቐሉን ተፀበይቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ክዀኑን ኣገዲዱ’ሎ። ኣብታ ሰብኣዊ ረድኤትን መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ተቛሪፁ ዝፀንሐላ ክልል ትግራይ፡ ቅድሚ ኣዋርሕ ንዝተበፅሐ ምቁራፅ ተጻብኦታት ስዒቡ፡ ረድኤትን ነዳድን ክኣትው ጀሚሩ ነይሩ። ይኹን'እምበር እቲ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ሓገዝ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ክልል ናብ ዝርከቡ ተጠቀምቲ ንምብፃሕ ሕፅረት ነዳዲ ከም ዘሎ ትካላት ረድኤት ክገልፁ ፀኒሖም’ዮም። መንግስቲ ፌደራል ዘድሊ ቀረብ ነዳዲ ክኣቱ ከምዝፈቐደ ከፍልጥ ከሎ መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም ናብ ትግራይ ዝኣተወ ነዳዲ ኣዝዩ ውሑድን ዘይመጣጠንን ምኳኑ እዮም ዝገልጹ። ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ፡ ብግንባር ደቡብ ኣብ ከባቢታት ኣላማጣ ብሰራዊት ፌደራል፣ ሓይልታት ኣምሓራን ናይ ወሎ ፋኖን መጠነ ሰፊሕ ኵናት ከምዝተኸፈቶ ትማሊ ኣፍሊጡ። እቲ መጠነ ሰፊሕ ዝበሎ መጥቃዕቲ ድማ ወጋሕታ 24 ታሕሳስ 2022 ከባቢ ሰዓት 11፡00 (05፡00) ከምዝጀመረ ኣብቲ ዝዘርግሖ መግለፂ ጠቒሱ። መንግስቲ ፌዴራል ብወገኑ ብመገዲ ቤት ጸሕፈት ውሃቢ ወቃል መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰራዊት ትግራይ፡ ነቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተበጽሕ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ብምጥሓስ ነቲ ኵናት ከም ዝጀመርዎ ገሊጹ። መግለጺ ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ መዓልታት እቶም ሰራዊት ናብ ድፋዓት ክጽግዑ ከምዝቐነዩ ብምግላጽ፡ ብኣንፈታት ጩቤ በር፣ ጃኖራ፣ ጉባጋላን ያሎውን ናብ ኣላማጣ፣ ባላን ቢሶበርን መጥቃዕቲ ከምዝኸፈቱ ሓቢሩ'ሎ። ኣብ መንጎ መንግስቲ ፈዴራልን ክልል ትግራይን ኣብ ወርሒ መጋቢት ሰብኣዊ ረድኤታት ንኽሓልፍ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ካብ ዝብጻሕ ብተዛማዲ ምልውዋጥ ተጻብኦታት ደው ኢሉ’ዩ ጸኒሑ። ካብ ዝሓለፈ ክልተ ሳሙናት፡ ጀሚሮም ግን ብኽልቲኦም ወገናት ምስ ኵናት ዝተሓሐዝ ምክሳሳት ክስማዕ ምጽንሑ ይዝከር።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw4wy37zegyo"} {"headline":"ብሰንኪ ኲናት ዩክሬን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሚልዮናት ንሕሱም ጥሜት ተቓሊዖም -ኦክስፋም","content":"ብሰንኪ ኲናት ዩክረይን ዝፈጠሮ ወሰኽ ዋጋን ኣብ ወርሒ መጋቢት ዘጋጠመ ሕጽረት ዝናብን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣስታት 28 ሚልዮን ሰባት ከቢድ ሓደጋ ጥምየት ከም ዘንጸላለዎም ኦክስፋም ኣፍሊጡ፡፡ ሃገራት ኬንያ፣ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ 40 ዓመታት ዘይተርኣየ ደርቂ ከም ዘጋጠመን ዝገለጸ እቲ ትካል፡ ደቡብ ሱዳን እውን ብዕልቕልቕ ከም ዝተጠቕዐት ኣፍሊጡ፡፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣቓልቦኡ ናብ ኲናት ዩክረይን ከም ዝዞረ ብምግላጽ፡ እቲ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘሎ ቅልውላው ሕጽረት መግቢ ዕሽሽ ክበሃል ይገብሮ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ፡፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ቅልውላው ዝሃቦ ምላሽ ‘‘ብዘሕዝን ኩነታት’’ ካብቲ ትጽቢት ዝተገበሮ ንታሕቲ ከም ዝኾነ ኣብ መግለጺኡ ዝሓበረ ኦክስፋም፡ ካብቲ ኣብ ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ሶማልያን ደቡብ ሱዳንን ንምሕጋዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረቦ ናይ 6 ቢልዮን ዶላር ጻውዒት ሰብኣዊ ሓገዝ 3 ምኢታዊት ጥራሕ ከም ዝቐረበ ኣፍሊጡ፡፡ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ሶማልያን ደቡብ ሱዳንን ከቢድ ዕንወት ወሪድዎም ከም ዘሎ ዝሓበረት ፈጻሚት ስራሕ ኦክስፋም ጋብሪኤላ ቡቸር ‘‘ዋላ ኣብዚ ወርሒ ዝናብ እንተኣርከበ፡ ሎሚ ህጹጽ ስጉምቲ እንተዳኣ ዘይተወሲዱ ሙሉእ ሕውየት ዳርጋ ዘይከኣል እዩ’’ ኢላ፡፡ ‘‘ጎንጺ ዩክረይን ኣብ ዓለም ለኻዊ ስርዓት መግቢ ዘውርዶ ሳዕቤን፡ ናብ ኩሉ ከባቢታት ዓለም ዝበጽሕ እዩ፡፡ ድኻታትን ተቓላዕትን ህዝቢታት ግና ካብቶም ብቕልጡፍን ብኸቢድን ዝጉድኡ እዮም’’ ክትብል ወሲኻ ገሊጻ፡፡ መግለጺ ኦክስፋም ከም ዝሕብሮ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣስታት 9 ሚኢታዊት ስርናይ ካብ ሩስያን ዩክሬን እየን ዝገዝኣ ነይረን፡፡ ሕጽረት ምግብን ማይን ኣብ ልዕሊ ከብቱ ጸቕጢ ይፈጥር ከም ዘሎ ሓደ ሓረስታይ ይገልጽ፡፡ ኣብ ግዝኣት ዋጂር ኬንያ ዝነብር እዚ ኣሕመድ ማሕሙድ ዑመር ዝተባህለ ሓረስታይ ‘‘ብሰንኪ ድርቂ ኣእዱግና ሃሊቖም እዮም፤ እቶም ዝተረፉ ድማ ጋሪ ንምጉታት ድኹማት እዮም’’ ክብል ተዛሪቡ፡፡ ‘‘ብዛዕባ ስድራይ ዝበልዕዎ፤ ቀጻሊ እንበልዖ ምግቢ ካበይ ክመጽእ ይኸውን? ንመዓልቲ ሓንቲ ጀሪካን ማይ ክንረክብ'ዶ ንኸውን? እናበልኩ ይሓስብ’’ ክብል ይቕጽል፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ እውን ኣብ ክልላት ኦሮምያን ሶማልን ዘጋጠመ ሓያል ድርቂ ብኣሻሓት ዝቑጸራ እንስሳት ከም ዝቐተለ ዝተገለጸ ኮይኑ ብዙሓት ዜጋታት ተጸበይቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኾኑ ገይሩ እዩ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሩስያ ንዩክሬን ካብ ትወርረ ጀሚሩ፡ ብብርኪ ዓለም ኣብ ዋጋታት ምግብን ፀዓትን ኣዝዩ ገዚፍ ወሰኽ ኣጋጢሙ ኣሎ። ማእከል ምርምር ኣመሪካ (Center for Global Development) ዝተባህለ ሙሁራት፡ ምንሃር እዚ ዋጋታት ኣብ መላእ ዓለም ንልዕሊ 40 ሚልዮን ሰባት ናብ \"ሕሱም ድኽነት\" ከጥሕሎም ከም ዝኽእል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣጠንቂቑ ነይሩ። እቶም ሙሁራት ሶቭየት ሕብረት ኣብ ሕርሻዊ ንግዲ ዝነበራ ዕዙዝ ግደ ድማ ብንፁር ዘቐመጠ ኮይኑ ናብ መላእ ዓለም ካብ ዝቐርብ ስርናይ እቲ 29 ሚእታዊት ብሩስያን ዩክሬንን ዝቐርብ ምንባሩ ኣፍሊጡ እዩ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60840968"} {"headline":"\"ኲናት ዩክረይን፡ ኣፍሪቃ ብምግቢ ዓርሳ ክትክእል ዕድል ዝፈጥር እዩ\" ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር፡ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ እዚ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ኣፍሪቃ ብመግቢ ዓርሳ ክትክእል ዓቢይ ዓድል ዝፈጥር ከምዝኾነ ተዛሪቡ። ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየን፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ኣቦ መንበር፡ ኣሊያንስ ፎር ኤ ግሪን ሪቮሉሽን ኣፍሪቃ (ኤጂአርኤ) [ኪዳን ንሓምላይ ሰውራ ኣፍሪቃ] ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ዓለምለኸ ገባሪ ሰናይ ዝኾነን፡ ኣቶ ኃይለማርያም፡ ኲናት ዩክረይን፡ ምስ ምግቢ፡ ነዳዲን ዘመናዊ ድኹዕን ተዛሚዱ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ልዑል ጽዕንቶ ከምዘሕደረ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። እቲ ቀዳማይ ሚነስተር ነበር፡ ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ዝገበሮ ሓጺርን ኣብ ውሱን ርእሰ ጉዳይን ዝተኰረ ጻንሒት፡ ምስ ኲናት ዩክረይን፡ ምስ ኮቪድ-19ን ከምኡ ምስ ጎንጽታትን ኲናትን ብዝተሓሓዝ ቀረብን ምኽዛን ምግብን ኣብ ዘሻቕል ብርኪ ከም ዝነበረ ተዛሪቡ። \"ኣስታት 36 ኣብ ዝኾና ሃገራት ኣፍሪቃ፡ 90 ሚሊዮን ዝኣክል ህዝቢ ጥሜት ኣጋጢምዎ\" ኢሉ። ካብ ቀደሙ'ውን ዘተኣማምን ውሕስነት ምግቢ ዘይነበረን ሃገራት፡ ኲናት ዩክረይን ዘሕደሮ ጽዕንቶ ተወሲኽዎ፡ እቲ ጸገም ተጋዲዱ ከምዘሎ ሓቢሩ። \"ብፍላይ ስርናይን ካልኦት ዝተፈላለዩ ዓይነታት እኽሊ ናብ ሃገሮም ክሳብ ዝኣቱ ዝጽበያ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዙሓት እየን\" ኢሉ። ኣቶ ኃይለማርያም ኣብቲ ኣብ ቢቢሲ ዝነበሮ ጻንሒት፡ ኣፍሪቃ ብዘላቕነት ርእሳ ክትክእልን ኣብ ባዕላ ክትምርኮስን ከምዘለዋ ኣገንዚቡ። \"ኣብ ውሽጢ ኣፍሪቃ፡ ካብ ዓለም ልዕሊ 60 ሚኢታዊት ዝኸውን ዝሕረስ መሬት ኣሎ፣ እንተዀነ ኣብ ረብሓ ኣይወዓለን። ኣብዚ ሕዚ እዋን መራሕቲ ኣፍሪቃ ቆሪጾም ተላዒሎም እዮም። ነገዶ ኣፍሪቃውያን'ውን እቲ ኵነታት ተረዲእዎም እዩ ዘሎ፡\"ኢሉ። እንተኾነ፡ መራሕቲ እታ ኣህጉር፡ ንመበቆላዊ ፖሊሲታት ሕርሻ፡ ንምዝማን ትኹረት ክህቡ ከምዘይስትውዓልን፣ ኣብ ወረቐት ጽቡቕ ፖሊሲ ሕርሻ'ኳ እንተሎ፡ ኣብ መሬት ዝትግበር ግን ከም ዘየለ ይዛረብ። 'ኣፍሪቃ ንልዕሊ 1.2 ቢልዮን ህዝቢ ክትምግብ ትኽእል ድያ ?' ዝብል ሕቶ ካብ ቢቢሲ ዝቐረበሉ፡ ኣቶ ሃይለማርያም፡ \"እቲ መልሲ ግልጺ እዩ፣ እወ ዝብል እዩ። ክትምግብ ትኽእል እያ፡\" ዝብል ምላሽ ሂቡ። ከምቲ ናቱ ኣበሃህላ እንተኾይኑ፡ ሕርሻ ኣፍሪቃ መንእስያት ብዝፈትውዎ መልክዕ ክዳሎ ኣለዎ። \"ኣብ ኣፍሪቃ ቁጠባ፡ ዲጂታላዊ መልክዕ እናሐዘ እዩ ዝርከብ። መናእሰይ ንዲጂታል ቁጠባ ቀረባ እዮም። ካብዚ ኢና ድማ ክንለዓል ንኽእል፡\" ክብል ኣብሪሁ። ኩነታት ኣየር፡ ከባብን ካልኦት መረዳእታትን ኣብ ግምት ብዘእተወ ሳይንሳዊ መገዲ፡ ንዅሉ ኣዋሂድካ ምህርቲ ምዕባይ ከምዝከኣል ጠቒሱ። \"ዲጂታላዊ መገዲ፡ ብበዝሕን ብብዓይነትን ምፍራይ ዝሕግዝ ኣሰራርሓ እዩ። ብቐሊሉ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል እዚ እዩ ኢለ ይኣምን።\" ኣብዚ ከይዲ፡ ንኣፍሪቃ ሕርሻ መሰረት ዝኾኑ ንኣሽቱ ሓረስቶት ክዝንግዑ ከምዘይብሎም'ውን ኣዘኻኺሩ። [10:29 am, 15\/04\/2022] Awet bbc: ንሰብኣዊ ሓገዝ ተባሂሉ ተፃብኦ ደው ክብል ስምምዕ ካብዝግበር ንድሓር ክንደይ ዝኣክል ረድኤት ናብ ትግራይ ኣትዩ? ኣብ ሰሜን ኢትትዮጵያ ኣብዝካየድ ኵናት ዝሳተፉ ኣካላት ንሰብኣዊ ተባሂሉ ተፃብኦ ደው ክብሉ ስምምዕ ካብዝግበሩ ንደሓር ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን እንተውሓደ ኣርባዕተ ግዘ ረድዔት ናብ ትግራይ ኣእትዮም እዮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ መጋቢት 15\/2014 ዓ. ም. ንሰብኣዊነት ክብል ተፃብኦ ደው ከብል ከምዝወሰነ ዝዝከር እዩ። እዚ ውሳነ ስዒቡ መራሕቲ ትግራይ ተመሳሳሊ ውሳነ ከምዘሕለፉ ይዝከር። ክልቲኦም ሃይልታት ተፃብኦ ደው እንተበሉ'ውን ዝኣክል ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ እናበፅሐ ከምዘይኮነ ትካላት መቐረብቲ ረድኤትን መራሕሪ ትግራይን ክገልፁ ቀንዮም እዮም። ንሰብኣዊ ሓገዝ ተባሂሉ ተፃብኦ ደው ምስበለ ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ልኢኾም እዮም። ትማሊ ሚያዚያ 6\/2014 ዓ.ም. ፕሮግራም መግቢ ዓለም 47 ረድኤት ዝፀዓና መኻይን ናብ ትግራይ ከምዝለኣኸ ገሊፁ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ትዊተር ከምዝገለፆ ካብተን እኽሊ ዝፀዓና መኻይን ብተወሳኺ 3 ነዳዲ ዝፀዓና መኻይን ናብ ትግራይ ከምዝለኣኸ ይሕብር። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ቅድሚ ሓደ ሰሙን እውን 21 ረድኤት ዝፀዓና መኻይን ናብ ትግራይ ልዒኹ ነይሩ። ሓገዝ ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ብካልእ ወገን ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ መጋቢት 24\/2014 ዓ.ም. መግቢ፣ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ዝፀዓና መኻይን መቐለ ከምዝኣተዋ ገሊፁ ነይሩ። ትማሊ ሚያዝያ 6\/2014 ዓ.ም. ኣብ ትዊተር ከምዝገለፆ ድማ ካልኣይ ዙር መግቢ፣ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ከምኡ'ውን ናይ ገዛ መገልገሊ ናውቲ ዝፀዓና መኻይን መቐለ ከምዝኣተዋ ይሕብር። ተፃብኦ ደው ክብል ክልቲኦም ወገናት ካብዝሰማምዑ ንደሓር ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ረድኤት ዝፀዓና መኻይን ናብ ትግራይ ልዒኾም እዮም። ይኹን እምበር ኣብ ትግራይ ምስዘሎ ጠለብ ክነፃፀር ከሎ እቲ ረድኤት እኹል ከምዘይኮነ ቢቢሲ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዘዘራረቦም ናይ ትግራይ ሕፁፅ ረድኤት መተሓባበሪ ዶክተር እትንኩት መዝገበ ተዛሪቦም። ቅድም ክብል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ መዓልቲ 100 ረድኤት ዝፀዓና መኻይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ኣለወን ኢሉ ነይሩ። ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ቁፅሮም እናወሰኸ ስለዝመፀ ኣብ መዓልቲ 300 መኻይን ንኽኣትዋ ከምዝተሰማምዑ ዶክተር ኣትንኩት ገሊፆም። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ቢቢሲ ኣብዝለኣኾ ኢሜል ረድኤት ምእታዉ ግርም ይኹን እምበር ከምቲ ዝድለ እኹል ከምዘይኮነ ገሊፁ። ውድብ ሕቡራት መንግስቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣስታት 10 ሚልዮን ሕዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮምን ካብዚኦም ድማ ልዕሊ ፍርቂ ኣብ ክልል ትግራይ ከምዝርከቡን ገሊፁ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥቅምቲ መወዳእታ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ናብ ክልል አምሓራን ዓፋርን ዝለሓመ ደም መፋሰሲ ኵናት ብኣሽሓት ዝቑፀር ሂወት ዘጥፍአን በሚልዮናት ዝቑፀሩ ድማ ክመዛበሉ ዝገበረን ቅልውላው ኣስዒቡ እዩ። ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ዝተበፅሐ ተፃብዖ ደው ናይምባል ስምምዕ ስዒቡ ዝሓሸ ኩነታት ንኽፍጠር ተስፋ ከምዘለዎም ዓለምለኸ ትካላት ረድኤትን ዝተፈላለያ ሃገራትን ይገልፁ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61117875"} {"headline":"ኵናት ዩክሬን ዋጋ መግቢ ዓለም ክንህር ገይሩ- ሕቡራት ሃገራት","content":"ዩክሬን ኣብ ዓለም፡ እታ ከም ስርናይን ዕፉንን ዝኣመሰለ ዝበዝሐ እኽሊ እተፍሪ ሃገር እያ። እቲ ውግእ ድሕሪ ምኽሳቱ ከኣ ኣብ ዋጋ መግቢ ዓለም ዓብይ ዝላ ከም ዘኸተለን ኣብ መላእ ዓለም ሻቕሎት ሕጽረት መግቢ የስዕብ ከም ዘሎን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። እቲ ኲናት ነቲ ኣብ ዓለም ካብ ዘሎ ዝዓበየ ወናኒ ምንጪ ጸሓያዊ ጸዓት ዝዀነ ነዳዲ ዘይቲ ፡ ቀረባቱ ክቋረጽ ገይሩ እዩ ፤ እዚ ከኣ ወጻኢታት ካልእ ኣማራጺታት እውን እናሓየለ እዩ ዝኸይድ ዘሎ ። ውግእ ዩክረይን ሕጽረት አእካል ጥራሕ ኣይኮነን ኣኸቲሉ ዘሎ፤ ኣብታ ሃገር ብብዝሒ ንዝፈሪ ሰደድ ዘይቲ እውን ተንኪፉዎ እዩ። ድሮ እኳ ኣብ ዕዳጋታት ኤውሮጳ ዋጋ ዘይትን መግብን ክውስኽ ተራእዩ ኣሎ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን \"ኣብ ዞባ ጸሊም ባሕሪ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ኣብ ዕዳጋታት መግብን ዘይትን ኣሕምልትን ዓቢ ሕጽረታት ኣኸቲሉ ኣሎ\" ክብል ስክፍትኡ ገሊጹ ኣሎ። እቲ ትካል ንመጠን ንግዲ ዓለም ብዋጋታት ኣእካልን ዘይትን፡ ኣሕምልትን ጥረታትን፡ ጸባን ስጋን ሩዝን ሽኮርን እዩ ዝልክዖ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ብልዕሊ 13% ዝነሃረ ክብሪ አእካልን መጠን ናህሪ ዋጋታት አእካልን ዘይትን ኣብ ዝሓለፈ 60 ዓመታት ተራእዩ ከም ዘይፈልጥ እዩ ዝንገር። ወሰኽ ዋጋ ኣሕምልትን ዘይትን ክሳብ 23% ክበጽሕ እንከሎ ናይ ኣእካል 17%፣ ሽኮር 7%፣ ስጋ ብ5%፣ ናይቲ ብውግእ ብዙሕ ዘይተጽልወ ጸባን ውጽኢት ጸባን ከኣ ብ3% ዓሪጉ ኣሎ። ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ እዚ ኣብ ዩክረይን ዘጋጠመ ውግእ፡ ብሰንኪ ምልውዋጥ ክሊማን ምምዝባል እቶት ቀውዕን ዋጋ መግቢ በብእዋኑ ክውስኽ ጸኒሑ እዩ። እዚ ናይ መግቢ ቅልውላው ከኣ ኣብ መላእ ዓለም ማሕበራዊ ዘይምርግጋእ ከየጋጥም ንፖለቲከኛታትን ሓንጸጽቲ ፖሊሲን ከጨንቖም ጸኒሑ ኣሎ። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ክኢላታት ኢንዱስትሪ፡ ዋጋ ምግቢ ኣብዚ ዓመት’ዚ ብ 15% ክድይብ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቖም ኣለዉ ። ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ትካል ምግብን ሕርሻን ኣብ ዩክረይን ብዘጋጠመ ግጭት ዋጋታት ምግቢ ክሳብ 20% ከምዝውስኽን ኣብ መላእ ዓለም ሕጽረት ምግቢ ከምዘኸትልን ኣጠንቂቑ ነይሩ ። ብሰንኪ ውግእ ዩክሬን፡ እቲ ካብ ክረምቲ ሎም ዘበን ካብ ዩክሬን ክርከብ ዝነበሮ እቶት ስርናይ ብ20% ስለ ዘጉደሎ፡ ነቲ ኣብ 2022 ዝነበረ ዓለማዊ ትንበያ እቶት ስርናይ፡ ካብ 790 ሚልዮን ቶን ናብ 784 ሚልዮን ኣውሪዱዎ ይርከብ። እዘን ኣብ ኵናት ተጸሚደን ዘለዋ ክልተ ሃገራት ሰደድ አእካል ጠጠው ስለ ዘበላ እቲ ናይ እኽሊ ማዕከን ወይ ሪቕ ብ2.4% ክጎድል ከምዝኽእል ውድብ ሕቡራት ሃገራት የጠንቅቕ። ኣቐዲሙ እውን ውድብ ምግብን ሕርሻን ዓለም ነቲ ኣብ 2050 ኣኣ 9.1 ቢልዮን ክበጽሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ህዝቢ ዓለም ብኸመይ ክምገብ ይከኣል ዝብል ዓሚቚ ምርምራዊ መጽናዕቲ ከካይድ ጸኒሑ እዩ። ምስ ምውሳኽ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ኣስታት 70 ሚእታዊት ኣብ ከተማታት ከም ዝነብሩ እዚ ከኣ ንመጠን እቶታውነት ምህርቲ ሕርሻ ከም ዝንክዮ፡ ከም ሳዕቤኑ ከኣ ነቲ ኣብ ከተማታት ዝነብር ህዝቢ ንምምጋብ ዓቢ ብደሆ ክኸውን ስለ ዝኽእል ምህርቲ ሓረስቶት ዘኻዕብት ውጥናት ስኢሉ ክንቀሳቐስ ጸኒሑ እዩ። እዚ ሕጂ ኣብ ዩክረይንን ሩስያን ተኸሲቱ ዘሎ ኵናትን ኣብ ከም ኢትዮጵያን ካልኦት ከባቢታት ዓለም ዘሎ ውግእን ግን ንእቶታውነት ስለዘዳኽሞ እቲ ሻቕሎት መመሊሱ ከም ዝውስኽ እቲ ትካል ይገልጽ። ብተወሳኺ “ ነብሲ ወከፍ ሃገር ዜጋታታ ናይ ምቕላብን ዝተመጣጠነ መኣዛዊ መግቢ ናይ ምቕራብን ሓላፍነትን ግዴታን ስለ ዘለዋ ኣበርቲዓ ክትሰርሕን ንጽንኩር እዋን ክትቅረብን ይግባእ” ክብል ኣብቲ ዘቕረቦ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ይምሕጸን።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61056803"} {"headline":"ኲናት ዩክረይን፡ ኣፍሪቃውያን ግዳያት ናይቲ ግጭት ምዃኖም ተሓቢሩ","content":"ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ብላኼማ ግዳያት ኲናት ዩክረይን ስለዝዀና፡ እቲ ወሪድወን ዘሎ ስቓየን ንምቅላል ሩስያ ክትሕግዝ ከምዝግባእ እዋናዊ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ - ፕረዚደንት ሰኔጋል - ኣብ ሩስያ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ንቭላድሚር ፑቲን ተማሕጺንዎ። ፕረዚደንት ማኪ ሳል፡ ድሕሪ’ቲ ዝተኻየደ ዘተ፡ ፑቲን እቲ ንኣፍሪቃ ዝስደድ እኽልን ድኹዒን ከቃልል ቃል ከም ዝኣተወ’ኳ እንተገለጸ፡ ዝርዝር ግን ኣይሃበን። ፑቲን፡ እቲ ሩስያ ወደባት ዩክረይን እኽሊ ንኸይሰድድ ትኽልክል ኣላ ዝብል ክሲ ነጺጉ። ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝሃልኽ ልዕሊ 40% ስርናይ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ሩስያን ዩክረይንን ዝኣቱ እዩ። እንተዀነ፡ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ዝርከባ ወደባት ዩክረይን እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣገልግሎት ሰደድ ካብ ምሃብ ተዓጽየን ኣለዋ። ዩክረይንን መሻርኽታን፡ ነተን ባዕላ ዩክረይን ካብ ማያዊ መጥቃዕቲ ሩስያ ሓጺራተን ዘላ ወደባት ንሰደድ ምዕጋታ፡ ንሩስያ ይወቅሳ። ኣወሃሃዲ ቅልውላው ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣሚን ዓዋድ ካብ ጀነቫ፡ \"እቶም ወደባት ዘይምኽፋት ጥሜት ከስዕብ'ዩ\" ክብል ሓደገኛነት ናይቲ ኵነታት ይገልጽ። ንሱ ብተወሳኺ፡ ሕጽረት እኽሊ፡ ን1.4 ቢልዮን ህዝቢ ክጸሉን ጃምላዊ ስደት ከስዕብ ከምዝኽእልን ሓቢሩ። እቲ ኲናት፡ ነቲ ድሮ ኣብ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ሕማቕ ቀውዒን ጸጥታዊ ኵነታትን ክፍጠር ዝጸንሐ ሕጽረት ኣጋዲድዎ ኣሎ። ሩስያ፡ ንዩክረይን ዝወረረትሉ ካብ ዝወረረትሉ - ቅድሚ 100 መዓልታት ጀሚሩ፡ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ዋጋታት መግቢ ክውስኽን እንከሎ ብዙሓት ሰባት ንሓደጋ ጥሜት ተቓሊዖም ኣለው። ሓላፊ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ማይክ ዳንፎርድ፡ ልዕሊ 80 ሚልዮን ሰባት ኣብ ኣፍሪቃ ውሕስነት መግቢ ከምዘይብሎምን ኣብ ጥሜት ከምዝርከቡን ገሊጹ። እዚ ቑጽሪ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበር 50 ሚልዮን ወሲኹ ተራእዩ’ሎ። ቻድ፡ ሃገራዊ ህጹጽ እዋን መግቢ ኣዊጃ’ላ። ሓደ ሲሶ ህዝቢ እታ ሃገር ሓገዝ መግቢ ከምዘድልዮ ዝሕብሩ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ’ታ ሃገርን ድማ ዓለምለኻዊ ሓገዝ ክግበር ጸዊዖም። ፕረዚደንት ሰኔጋል ማኪ ሳል፡ ንፕረዚደንት ፑቲን፡ \"ሃገራትና ዋላ'ውን ካብቲ ትያትር [ተግባር] ርሒቐን እንተሃለዋ፡ ግዳያት ናይዚ ቍጠባዊ ቅልውላው ምዃነን ክፈልጥ ኣለዎ፡\" ክብል ገሊጹሉ። ብተወሳኺ፡ ንኻልኦት ሃገራት ኤስያ፡ ማእከላይ ምብራቕን ላቲን ኣሜሪካን ወኪሉ ይልምን ከምዘሎ’ውን ገሊጹ። ሩስያ፡ ንሰደድ እኽሊ ዩክረይን ብመንገዲ’ተን እትቈጻጸረን ወደባት ኣዞቭን ጸሊም ባሕርን ብውሑስ መገዲ ክልኣኽ፡ ውሕስነት ንምሃብ ድልውቲ ምዃና ፑቲን ገሊጹ። ንሱ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እታ ናይ ቀረባ መሓዛ ሩስያ ዝኾነት ቤላሩስ ጸኒዑ ዘሎ እገዳ ምልዓልን፣ እኽሊ ኸኣ ብኡ መገዲ ክልኣኽን እቲ ዝበለጸ ፍታሕ ምዃኑ ገሊጹ። ሩስያ፡ እዚ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው መግቢ፡ ካብተን ውሕስነት መግቢ ዘይብለን ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን፡ ገዚፍ ሓዲሽ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ክፈጥር ስለዝዀነ፡ ንምዕራባውያን ፖለቲካዊ ጸቕጢ ከስዕብ ተስፋ ኣለዋ፡ ይብሉ ገለ ተንተንቲ። ቅድሚ’ዚ ዓርቢ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ፑቲን ኵሉ ግዜ ኣብ ጐድኒ ኣፍሪቃ ምዃኑ’ኳ እንተገለጸ፡ ንቅልውላው መግቢ እታ ኣህጉር ግን ኣየልዓለን። ሰኔጋል ከም ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብቲ ግጭት ወገን ካብ ምሓዝ ተቘጢባ ከምዘላን፣ ቀረብ መግቢ ካብቲ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ኣንቢረናኦ ዘለዋ እገዳ \"ወጻኢ\" ክኸውን ከምግባእ፡ ፕረዚደንት ማኪ ገሊጹ። ንሱ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ምስ ቤት ምኽሪ ኤውሮጳ ኣብ ዝተዘራረበሉ እዋን ነዚ ነጥቢ ከም ዘቐመጠ’ውን ኣመልኪቱ። ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ምዕራባውያን ሃገራት ንዓለማዊ ወሰኽ ዋጋታት ሓላፍነት ክስከማ ዝብል ሓሳብ ነጺግዎ። \"እዚ ወሰኽ ዋጋ ናይ ፑቲን እዩ። ኲናት ፑቲን፡ ንዋጋ መግቢ ኣዕብዩዎ ኣሎ፣ ምኽንያቱ ዩክረይንን ሩስያን ፣ ንስርናይን ዕፉንን፡ መሰረታዊ ፍርያት ብዙሓት መግብታት ኣብ መላእ ዓለም ዝዀና፡ ክልተ ዓበይቲ መሶብ ሕብስቲ እየን፡\" ኢሉ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cxr73ypv96yo"} {"headline":"መራሕቲ ሃገራት ከይተረፈ ዝኸፋፈለ ፒዛ","content":"ፒዛ፡ ብመንጽር እቲ ዘለኻሉ ዓዲ ዝዳለወሉ ኣገባብ ዝተፈላለየ ስለ ዝዀነ፡ ነየናይ ኢኻ ከተመስግን ወይ ክትነቅፍ ዘለካ፡ ከከም ኣረኣእያኻ’ዩ ዝውሰን። እዚ ኣብ ዓለም ኣዝዩ ፍሉጥ ዝዀነ፡ ሃምን ኣናናስን ዘለዎ ፒዛ ዘላለየና ሰብኣይ ግን ሃዋያዊ ወይ ኢጣልያዊ ኣይኰነን። ግሪኻዊ ስደተኛ ሳም ፖኖፑለስን ኣሕዋቱን፡ ኣብ ካናዳ ከተማ ቻታም - ኦንታሪዮ ሓደ ቤት ብልዒ ነይርዎም። ፖናፕለስ ኣብ ቀረባ፡ ናብታ ኣብ ኢጣልያ መበቈል ፒዛ ዝዀነት ዓዲ - ናፕለስ በጺሑ፤ ነቲ ቅዲ ኢጣልያ ዝዀነ መግቢ ድማ ኣብቲ ብዙሓት በርገርን ፓንኬክን ንምዕዳግ ነዊሕ ሪጋ ዝሕዙሉ ሬስቶራንት ከተኣታትዎ ደለየ። ኵሉ ግን ፒዛ እዩ፤ እንታይ ኣመሓይሹ? ነቲ ቅጫ እንታይ ይለኽዮ? ንሱ፡ ነቶም ዝተለመዱ ቃንጥሻን [ማሽሩም] ጉዕ በርበረ ፈረንጅን [ፔፐሮኒ] ዝመሳሰሉ መማቕርቲ ፒዛ ገዲፉ፡ ነቲ ኣብ ደቡብ ሃገሩ ዝተለመደን ኣሜሪካውያን ኣብ መግቢ ቻይና ኣሎ ዝብሉዎ መኣዛታትን መቐረትን- ምርርን ዝበለ መኣዛን ናብ ዘለዎ ቀይርዎም። ኣብ ርእሲ እቲ ፎርማጆ፡ ስጐ ኮሚደረን ቅጫን ክኣ ኣናናስን ዝተኸተፈ ስጋን [ሃም] ነስኒሱሉ። እዚ ግን፡ ምናልባት በቲ ኣብ መግቢታት ቻይና ዘሎ ኣናናስን ስጋ ሓሰማን ብምውህሃድ ዝፍጠር ምቁር ጣዕሚ ጨው ዘለዎን መግብታት ዝተጸለወ ኰነ። ኣበናይ ሸነኽ እቲ ምክፍፋል ኢኹም ደው ትብሉ ንዝብል ምርጫ ንዓኹም ገዲፍና፡ በዚ ምኽንያት ግን ሃገራት እንከይተረፈ ዘጐራፈጠ ‘ገበን ኣሰራርሓ መግቢ’ ተፈጢሩ። ከምቲ በዓል ሃምን ኣናናስን ዘለዎ ፒዛ፡ ውሑዳት ንሰባት ዝኸፋፉሉዎም  ዓይነታት መግቢ ኣለው። ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ኣሜሪካ፡ ብሪጣኒያን ኣውስትራሊያን ካብዚ ወጻእ ዝዀኑ ብዙሓት ዓይነታት ፒዛ ኣለውዎም። ኣብ ኢጣልያ ግን፡ ኣብ ፒዛ ዝተፈላለዩ ነገራት ምሕዋስ ፉንፉን’ዩ። እዚ ኣብ መንጐ መራሕቲ ዓለምን ዲፕሎማሲያዊ ምትእትታውን ከይተረፈ ኣህጉራዊ ዘይምርድዳእ ኣስዒቡ’ዩ። ስለ ምንታይ? “ምሕዋስ መግቢ ክትብሎ ትኽእል ኢኻ፤ እቲ ቃል ፍሉጥ ቅድሚ ምዃኑ፤ ከምኡ’ውን ብርግጽ እቲ ዝያዳ ዝፍቶ ጣዕሚ’ዩ። ስለዚ በዚ መንጽር ቀሊል ዓወት እዩ” ይብል ኣብ ዩኒቨርሰቲ ኦክስፎርድ ዝተፈላለዩ ህዋሳትና ከመይ ይጸልውና ዝብል ዘጽንዕ ክኢላ ስነ ኣእምሮ ቻርለስ ስፔንስ። ፖናፑለስ ንፒዛ ሃዋይ ክምህዝ እንከሎ፡ ምስ ኣውስትራልያዊ ኩባንያ ምውህሃድ መግቢ ‘ጐልደን ሰርክል’ ዝሓተሞ መጽሓፍ ኣሰራርሓ መግቢ ተጋጢሙ። ኵሎም ተገሪሞም። ጐልደን ሰርክል፡ ቀንዲ ኣፍረይቲ ዝተዓሸገ ኣናናስ ስለ ዝዀኑ፡ ሽፋን እቲ መጽሓፍ ኣብ ልዕሊ ዝበሰለ ሃም ቀለበት ዝሰርሑ ኣናናስ ነይርዎ። ቅድሚ 10 ዓመት፡ ሓደ ከሻኒ [ኣብ መደባት ተሌቪዥን]፡ ድሕሪ ኲናት ጀርመን ዝነበረ ‘ቶስት ሃዋይ’ ዝበሃል ኣናናስ፡ ዝበሰለ ሃምን ዝተቘረጸ ፎርማጆን ዘለዎ መግቢ ኣዳልዩ ነይሩ። ሃዋይ ፒዛ ድማ ምናልባት፡ ኣብ ጀርመን ልሙድ ዝነበረ ኣናናስ ዘለዎ ሳንድዊች ስዒቡ ዝመጽአን ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ጀርመን ዓስኪሮም ዝነበሩ ወተሃደራት ኣሜሪካ ሒዞምዎ ዝመጽኡን ዘአንፈቶ ክኸውን ይኽእል። ብሓፈሻኡ ክርአ እንከሎ፡ ስጋ ሓሰማን ኣናናስን ኣብ ዓለም እቲ እንኮ ጽምዲ ፍረታትን ስጋን ኣይኰነን። ኣብ ፈረንሳ፡ ስጋ ደርሆ ማይ ምስ ምቍር ስጐ፡ ኣራንሺ ተሓዊሱ ይዳሎ። ኢራናውያን ስጋ ዕየት ምስ ፍረ ሮማን ሓዊሶም መግቢ የዳልው። ስለዚ ዝተፈላለዩ ፍራምረ ምስ ስጋ ሓዊስካ መግቢ ምድላው ልሙድ’ዩ። ጨውን ምቁር መኣዛታትን ብባህሪኡ ብሓባር ዝኸይድ ኰይኑ 'flavour-layering' ተባሂሉ ይጽዋዕ። ምቁር መኣዛ ካርቦሃይድረይት ብምሃብ ሓንጐልና እወንታዊ ምልክታት ክሰድድ ይገብር፤ ጨዋዊ መኣዛ ክኣ ንኣካላዊ ስርዓታት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣስታት 12 ክሳብ 15 ሚእታዊት ክብደት ኣናናስ ካብ ሽኮር ዝመጽእ እዩ፤ ግን ብመጠኑ ኣሲዳዊ እዩ። ጀነቲካዊ ረቛሒታት፡ ነፍሲ ወከፍና ክሳብ ክንደይ ምቍር መኣዛ ነስተማቕር ኣብ ዝብል ተራ ከም ዘለዎም ይግመት። ገለ ሰባት ግን ካብ ካልኦት ብዝተፈለየ ንዝዀነ ጣዕሚ ተኣፈፈፍቲ እዮም። ተመራመርቲ ድማ፡ ነዚ ዝቕምር ‘TAS2R38’ ዝተባህለ ፍሉይ ጂን ከም ዘሎ ኣረጋጊጾም። ብተመሳሳሊ፡ ንምቍር መኣዛታት ምፍታውና ጽልዋ እቶም ጂናት ዘለዎ ኰይኑ፡ ክንደይ ዝኣክል ሽኮር ዘለዎ መግቢ ንበልዕ ወይ ንምገብ ዝብል’ውን ይጸልውዎ። ካብዚ ብምብጋስ፡ ምናልባት ሓደ ሰብ ኣብ ዝቐርበሉ ፒዛ ኣናናስ ክኣቱ ይደሊ’ዶ ኣይደልን ዝብል’ውን በዚ ዝውሰን ክኸውን ይኽእል። “ኣናናስ ሓዊ ክወቕዖ እንከሎ ዝተፈላለዩ ኬሚካላዊ ውህደት’ዮም ዝፍጠሩ፤ ምኽንያቱ ብዙሕ ሽኰርን ተፈጥሮኣዊ ኣሲድን ስለ ዘለዎ” ይብል ተመራማሪ መግቢ ዚሂም ዡ። ወሲኹ፡ ኣናናስ “ኣብ ልኡም ሙቐት ምውዓይ፡ እቲ ጨናኡ ብቕልጡፍ ክሃፍፍ ይገብር። ሓዊ ዝወቕዖ ኣናናስ፡ ምስቲ ብርሑሱ ተቘሪጹ ዝቐርብ ኣናናስ ክነጻጸር እንከሎ ውሑድ መቐረትን ምርር ዝበለ ጣዕምን እዩ ዝህልዎ” ኢሉ። ኣናናስ፡ ኣብ ልዑል ሙቐት ክውዒ እንከሎ ኣዝዩ ዝተፈለየ ይኸውን። መብዛሕትኦም እቶም ካብ ሱፐር ማርኬታት እንዕድጎም ናይ ፒዛ ቅጫታት ክኣ፡ ኣብ ገዛ ካብ 200 ክሳብ 220 ዲግሪ ሴልሲየስ ተጠቒምና ኣብ ፎርኖ ነብስሎም። ዕንጸይቲ ንጥቀም እንተዄንና ግን እቲ ሙቐት ልዕሊ 500 ዲግሪ ሴልሲየስ ክበጽሕ ይኽእል፤ እቲ ፒዛ ንኽበስል ድማ፡ ክሳብ ትሕቲ ክልተ ደቒቕ የድልዮ። ዢ፡ ኣናናስ ኣብ ፒዛ ምእታው ዘሕርቘም ዘሎ ክበስል እንከሎ መቐረቱ ምውሳኹ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ ይብል። “ገለ ሰባት፡ ጥዑም መኣዛ ኣናናስ ምስ ጨዋዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ከም ሃም፡ ስጐን ፎርማጆን ዝበሉ መቐምምቲ ፒዛ ክሕወስ እንከሎ ስለ ዘይፈትውዎ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ገሊኦም ክኣ፡ ምቁርን- መጺጽን- ጣዕሚ ነቲ ጨዋም ጣዕሚ ፒዛታታት የመጣጥኖ’ዩ ኢሎም ስለ ዝሓስቡ ነዚ ክፈትውዎ ይኽእሉ። \"ብፍላይ እቶም ኣብ ፎርኖ ዝበስሉ ፒዛ፡ ኣትዮም ክወጽኡ እንከለው ጨው ይውስኹ’ዮም። ስለዚ ገለ ምቁር ነገር ምውሳኽ ነቲ ጨዋዊ ጣዕሚ የለሳልሶ። እዚ ኽኣ ምናልባት ኣናናስ ህቡብ መሐወሲ ፒዛ ክኸውን ገይሩዎ ይኸውን” ክብል ዢ የረድእ። ዝዀነ ኰይኑ፡ እቲ ኣብ መንጐ ፈተውትን ጸላእትን ሃምን ኣናናስን ዝተላዕለ ወጥሪ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዲፕሎማሲያዊ ወጠጥ ኣስዒቡ ነይሩ። ብ2017፡ ፕረዚደንት ኣይስላንድ ጉኖይ ቶርላከስ ጆሃንሰን፡ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ተረኺቡ ኣናናስ ኣብ ፒዛ ምእታው ከም ዝቃወሞ ብምግላጽ ኣብታ ሃገር ክእግዶ ከም ዝኽእል ተዛሪቡ። ካብኡ ሓሊፉ፡ ብዛዕባ ኣናናስ ዘለዎ መርገጺ ብሓፈሻ፡ ብቐንዱ ድማ ኣናናስ ኣብ ፒዛ ምእታው ዘለዎ ሓሳብ ኣመልኪቱ ብዝርዝር ኣብ ፈይስቡክ ጽሒፉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጀስቲን ትሩዶ ኸኣ፡ “ኣብ ጐድኒ እዚ ኣብ ደቡብ ምዕራብ ኦንታሪዮ ዝበቘለ ጥዑም መግቢ ደው እብል” ኢሉ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። ድሕሪኡ፡ ፕረዚደንት ኣይስላንድ መርገጺኡ ቅሩብ ኣፍኩስ ኣቢሉ፡ “መስመረይ ስሒተ ነይረ\" ክብል ኣብ 2018 ተዛሪቡ። ሳም ፖላፑለስ ግን፡ እንታይ ከም ዝጀመረ ዝፈልጦ ነገር የብሉን።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv21lex98nxo"} {"headline":"ስርናይ ዩክረይን ንሓደጋ ጥሜት ኢትዮጵያ ከቃልሎ እዩ - ፕሮግራም መግቢ ዓለም","content":"ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ስርሓት ምቕራብ ረድኤት፡ 30 ሽሕ ቶን ስርናይ ዩክረይን ከምዝዓደገ ኣፍሊጡ። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ጽጉማት ብሓገዝ ዝቐርብ ስርናይ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ናብታ ጎረቤት ኢትዮጵያ ዝኾነት ጅቡቲ ክኣቱ ትጽቢት ከምዘሎ'ውን እቲ ትካል ሓቢሩ'ሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ወሃቢት ቃል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ክሌር ኔቪል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቲ ስርናይ ብሰንኪ ዝተናውሐ ግጭትን ብርቱዕ ድርቅን ብውሕስነት መግቢ ንዝተሃስዩ ሚልዮናት ሰባት ንምምጋብ በቲ ትካል ንዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ከምዝድግፍ ኣረዲኣ። እቲ ምግቢ ኣብ መላእ እታ ሃገር ንዝገብሮ ረድኤት ናይ ምቕራብ ስራሕቲ ዝሕግዝ ኰይኑ፡ ብፍላይ ቅድሚ 22 ኣዋርሕ ብዝተወልዐ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ንዝተጸልወ ቆላሕታ ዝህብ እዩ። በዚ ድማ ኣብ ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራን ንዝርከቡ 3.4 ሚልዮን ሰባት ተረባሕቲ ንምግባር ከምዝዓለሙ ኣብ ኢትዮጵያ ወሃቢት ቃል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ክሌር ኔቪል ኣረዲኣ። ብተኸታታሊ ወቕትታት ትሑት መጠን ዝናብ ዝተሃሰዩ ኣብ ምብራቓዊ ክልል ሶማል-ኢትዮጵያ ዝርከቡ ካልኦት 2.4 ሚልዮን ሰባት እውን እቲ ረድኤት ክበጽሖም ትጽቢት ይግበር። ዓለምለኸ ትካላት ኣብ ኢትዮጵያ ሕሱም ድርቂ ክኽሰት ከምዝኽእል ኣቐዲሞም’ኳ እንተፍለጡ፡ ኣብ ሰሜንን ደቡብን ኣብ ኲናት ተጸሚዱ ዝርከብ መንግስቲ ‘ታ ሃገር ግን ነዚ ንምምካት ድሉው ኣይመስልን። ኣብ ሰሜን ኢትዮጲያ ንዘሎ ኲናት ስዒቡ፡ መንግስቲ ጥሜት ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀም ኣሎ’ ዝብሉ ነቐፌታታት ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ክቐርቡ ጸኒሖም እዮም። መንግስቲ ግን ነዚ ወቐሳ ብትሪ ከም ዝዅንን ብተደጋጋሚ ገሊጹ እዩ። ብሰንኪ ኲናት ንሓደጋ ዝተቓልዑ ዜጋታት ሓዊሱ ብሰንኪ ሕጽረት ዝናብ ብዝተኸሰተ ድርቂ፡ ሚልዮናት ተጸበይቲ ረድኤት ኰይኖም ኣለው። ኣብ ኢትዮጵያ ሚልዮናት ተጸበይቲ ረድኤት ምግቢ ንክዀኑ ዘገደደ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ጥራሕ ኣይኰነን። እቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝለሓመ ደማዊ ኲናት፡ ሚልዮናት ዜጋታት ኣመዛቢሉን ተጸበይቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ንክዀኑን ምኽንያት ኰይኑ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ኣብ ክልላት ቤንሻንጕል ጉሙዝ፡ ኦሮሚያን ደቡብን ብዝተፈጥሩ ግጭታት፡ ዕንወት መሰረታዊ ትሕተቕርጺ ስለዘጋጠመ፡ ትካላት ረዲኤት ዝድለ ሓገዝ ንምብጻሕ ከም ዝተጸገማ ክገልጻ ጸኒሐን እየን። ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝመልክቶ፡ ብተፈጥሮኣውን ሰብ ሰርሖን ምኽንያታት ኣስታት 20 ሚልዮን ሰባት ረድኤት የድልዮም።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72kd528pnno"} {"headline":"ጀነቲካዊ ምምሕያሽ ዝተገበረሎም ፍርያት እንታይ ረብሓ ኣሎዎም?","content":"ቅድሚ ሒደት ዓመታት፡ ብጀነቲካዊ ኣገባብ ዝተዳቐላ ኣላሕም፡ ጸባ ሰብ ከፍርያ ከም ዝኸኣላ ዝገልጽ ዘገርም ዜና ወጺኡ ነይሩ። ብዩኒቨርሲቲ ሕርሻ ቻይና ዝምራሕ ጕጅለ፡ ኣብ 300 ኣላሕም፡ ጂን [ዘርኢ] ሰብ ብምሕዋስ ጸባ ኣደ ብዓወት ኣፍሪዩ። ጸባ ኣደ፡ ንናይ ህጻናት ዓቕሚ ምክልኻል ሕማማት ንምዕባይን ንሓደጋ ረኽሲ ንምንካይን ዝሕግዙ ኣገደስቲ ንጥረ ነገራት ስለዘለዎ፡ እዚ ኣብ ጸባ ላሕሚ [ላም] ንኽርከብ ዝዓለመ እዩ። እዚ ዘገርም ዜና እኳ እንተመሰለ፡ ምስቲ ኣብ መንጐ መግቢ ደቂ ሰባትን ሳይንሳዊ ሕትመታትን ዘሎ ምትእስሳር ዘርኢ ጂኤምኦ (ጀነቲካዊ ምምሕያሽ) ብዝተኣሳሰር ብዙሕ ክትዓት ይለዓል እዩ። ንዓሰርተታት ዓመታት፡ ተሓለቕቲ ኣከባቢ፡ ኩባንያታት፡ ሓንጸጽቲ ፖሊሲ፡ ማሕበራት ሓለዋ ተጠቀምቲ፡ ከምኡ’ውን ትካላት ንግዲ ዓለም ምጕት ቀጺሎም እዮም። ስለዚ፡ GMO (genetically modified organism) እንታይ ማለት እዩ? ‘ጂኤምኦ’ ማለት ዝዀነ ይዅን ጀነቲካዊ ንብረቱ (ዲኤንኤ) ጀነቲካዊ ምህንድስና ተጠቒሙ ዝተቐየረ ፍጡር ማለት እዩ። እዚ ድማ ኣትክልቲ፡ እንስሳታት (እንተላይ ሰብ) ወይ ባክተርያ የጠቓልል። ይዅን እምበር ምስቲ ትርጕም ብዝተኣሳሰር'፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝርከቡ ወገናት ዝህብዎ መብርሂታት፡ እቲ ተግባር ክሳብ ክንደይ ከምዝተሓላለኸ ዘመልክት እዩ። ደቂ ሰብ ኣብ ተፈጥሮ ጣልቃ ዝኣትዉሉ ድዩ? ናይ ወጻኢ ዲኤንኤ ብምውህሃድ ድዮም ዝፍጠሩ? እቶም ብዘርኢ [ጂን] ዝተዓረዩ መግብታት ዝበሃሉኸ? ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ መምህር፡ ተመራማሪን ክኢላ ሳይንስን ቴክኖሎጅን መግብን ዶክተር ታደሰ ፍቕረ፡ \"ጂኤምኦ ብጀነቲካዊ መንገዲ ኣብ እንስሳታት ወይ ኣትክልቲ ዝግበሩ ለውጥታት እዮም\" ይብል። ንሱ፡ እቲ ለውጢ ተደላዪ ባህርያት ንምዕባይን ዘይተደልየ ባህርያት ንምንካይን ከም ዝጠቅም ይገልጽ። \"ምናልባት ኣብ ዓውዲ ሕርሻ እቲ ዝበለጸ ፍሉይ ርኽበት ወይ ሳይንስ ክኸውን ይኽእል'ዩ\" ይብል። ኣብ ሳይንስ፡ ‘ጂን ኤዲቲን’ን ‘ጂን ሞዲፊኬሽን’ን ዝበሃሉ መስርሓት ቴክኖሎጂ ኣለዉ። ጂን ኤዲቲን [ምዕራይ] ማለት ሓደ ክፋል ናይ ሓደ ዘርኢ [ዓሌት] ብምእላይ ዝድለ ዕላማ ንምዕዋት ዝግበር መስርሕ እዩ። ብኣንጻሩ ጂን ሞዲፊኬሽን [ምምሕያሽ] ካብ ካልእ ዓይነት ፍሉይ ዘርኢ ብምውሳኽ ነቲ ዝድለ ሸቶ ክበጽሕ ዝኽእል ቴክኖሎጂ እዩ። እዚ ሓድሽ ሳይንስ ኣይኰነን ዝብሉ ሰባት ኣለው። ሰባት ብንእሽቶ ደረጃ ንኽገብርዎ ነዊሕ ግዜ ከም ዝወስድ ይሕብሩ። በዚ መንገዲ፡ ዕፉን ብምምሕያሽ፡ ሕጂ ‘ስዊትኮርን’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓይነት ቆሎ ክረኽቡ ከምዝኸኣሉ ይዛረብ። እቲ ሕጂ ዘሎ ጀነቲካዊ ምህንድስና ግን፡ ነቲ ጂን ብቐጥታ ብምቕያር፡ ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ መስርሕ ምርባሕ ከም ዘወገደ ይገልጽ። እከለ ዝተባህለ ምርምር ሕርሻ ብምድቓል፡ እገለ ዝበሃል ዝበለጸ ዘርኢ ከም ዝረኸበ ሰሚዕና ኣለና። ናይ ገሊኦም ሓሳብ ምስኡ ዝተኣሳሰር እዩ። እዚ ድማ፡ እቶም ብጀነቲካዊ ኣገባብ ዝተቐየሩ ህይወታውያን ካብቶም ኣብ ትካላት ምርምር ሕርሻ ብምድቓል ዝረኽብዎም ዝበለጹ ኣዝርእቲ ብዙሕ ፍልልይ ስለዘይብሎም እዩ። ብዝሒ ህዝቢ ዓለም እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ 8 ቢልዮን በጺሑ። \"ነዚ ህዝቢ ክንምግቦ እንተኽኢልና ዓቢ ነገር'ዩ\" ይብል ዶክተር ታደሰ። እዚ ግን ብድሆ ምዃኑ ይሕብር። “ኣነ ዝሰርሖ ጂኤምኦ [ዘርኢ ምምሕያሽ] ብምጥቃም ምህርቲ መግቢ ምውሳኽ ግዴታና'ዩ።\" ደገፍቲ ጂኤምኦ፡ እዚ ሳይንስ እዚ ዝለዓለ ምህርቲ ከምጽእ፡ ሕማም ወይ ድርቂ ዝጻወር ባህርያት ከማዕብልን ካልእን ከም ዝኽእል ይምጕቱ። ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ጥዕና ደቂ ሰባትን ከባብን ክበጽሕ ዝኽእል ጉድኣት፡ ኣብ ባህላዊ ኣሰራርሓ ሕርሻ ዘስዕቦ ኣሉታዊ ጽልዋ፡ ከምኡ'ውን ዓብላልነት ኩባንያታትን \"ዘይተፈጥሮኣዊ\" ባህሪ ቴክኖሎጅን ስክፍታታት ኣሎ። ሕጂ’ውን ብጀነቲካዊ ኣገባብ ዝተቐየሩ መግብታት ጐዳእቲ ምዃኖም ዘካትዕ ዘሎ እዩ። መንሽሮ ሓዊሱ፡ ካልኦት ጸገማት ከም ዘስዕብ ብዙሓት ጸብጻባት እኳ እንተሃለዉ፡ ብመንጽር ጥዕና ግን ብሳይንስ ዝተረጋገጸ ጸብጻብ ከምዘይኮነ ዶክተር ታደሰ ይዛረብ። “ብዛዕባ ጥዕና ብሳይንስ ዝተረጋገጸን ዝተጸብጸበን ነገር የለን። መንሽሮ ከም ዘስዕቡ፡ ካልእ ጸገማት ከም ዘለዎምን ተፈጥሮኣዊ ዓሌት ከም ዝቕይሩን ይንገር። ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብተጠቀምቲ፡ ተሓለቕቲ ወይ ደለይቲ ፍትሒ ዝለዓሉ ሕቶታት ኣለዉ። ብሳይንስ ዝተረጋገጸ ጸገም ግን የለን።\" ብመሰረት እቲ ተመራማሪ፡ ብጀነቲካዊ ኣገባብ ዝተቐየሩ እንስሳታትን ኣትክልትን ካብ ካልኦት ንቡራት እንስሳታትን ኣትክልትን ዝተፈለየ ኣመጋግባ ወይ ኬሚካላዊ ውህደት የብሎምን። ስለዚ ኣብ ሳይንስ ዝዀነ ይዅን ናይ ጥዕና ይዅን ተዛማዲ ጸገማት ዘስዕቡ ምዃኖም ከም ዘይእመን የረድእ። “ኣብ ውሕስነት መግቢ እውን እሰርሕ እየ። በዚ መንገዲ እዚ፡ ጀነቲካዊ ምትዕርራይ ዝተገብረሎም መግብታት ኣብ ጥዕና ዘለዎም ጐዳኢን ጠቓምን መዳያት እየ ዝጥምት ዘለኹ። ሓደ ክኢላታት ዝሰማምዑሉ ነገር እንተሃልዩ፡ ጂኤምኦ ንመግቢ ወሳኒ ምዃኑ እዩ።” ዶክተር ታደሰ ከም ዝብሎ፡ ዋላ ጽቡቕ ቴክኖሎጂ እንተዀነ ኣብ ከባቢ ከብውርድዎ ዝኽእሉ ጉድኣት ብጥንቃቐ ክሕሰቡ ከምዘለዎም ግን ይሰማማዕ። ብደረጃ ኣትክልቲ፡ ጠለብ ኣብ ምዕባይን ዓለምለኻዊ ቀረብ መግብን ምህርቲ መግብን ኣብ ምምሕያሽን ልዑል ተራ ኣለዎም። 'ፕሮጀክት ጐልደን ራይስ' ናይዚ ጽቡቕ ኣብነት እዩ። ተመራመርቲ መግቢ፡ ነቲ ስሩዕ ሩዝ ብቫይታሚን ኤ ኣበልጺጐምዎ። እዚ ሩዝ ብሰንኪ ሕጽረት ቫይታሚን ኤ ሞት ህጻናትን ዓይነ ስውርነትን ኣብ ዝበዝሐሉ ከባቢታት ከልምዕዎ ጀሚሮም። ሓደ ኩባያ ‘ጎልደን ሩዝ’ ፍርቂ ናይቲ ሓደ ሰብ መዓልታዊ ዝወስዶ ቫይታሚን ኤ ይህብ። ኣገዳስነት ሩዝ ጐሊሑ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ግን ዕንቅፋታት ኣጋጢምዎ እዩ። ኣብ ፊሊፒንስ፡ ሰልፈኛታት ካብ ሰልፊ ናብ ምጥፋእ ነቲ ከም ፈተነ ዝተተኽለ ሩዝ ኣምሪሖም። በዚ ቴክኖሎጂ ሕርሻ ብብዝሒ ፍርያት ምፍራይ እውን ይከኣል እዩ። ድርቂ ዝጻወሩ ኣእካል እውን ከምኡ። እዚ ምምሕያሻት፡ ማለት ብጥሜትን ድርቅን ንዝጥቅዑ ከባቢታት ኣገደስቲ ክዀኑ እዮም። ሓደጋ የብሎምን ማለት ግን ኣይኮነን። “እቲ ቀዳማይ ጐሊሑ ዝርአ ኣብ ከባቢ ዘለዎም ጽልዋ እዩ። ምስ ብዙሓት ክኢላታትን ተመራመርትን ናይቲ ዓውዲ እውን ይሰማማዕ እየ። እዚኦም ብፍላይ ብጀነቲካዊ ኣገባብ ዝተቐየሩ ትራንስጀኒክ እንስሳታት ወይ ዘይተዛመዱ ኣትክልቲ እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ጂን ካብ ታህዋስያን መጺኡ ናብቲ እንስሳ ወይ ተኽሊ ምስ ዝኣቱ እቲ ጂን ናብ ዘርኦም ከም ዝሰጋገር ይጥርጠር። \"እዚ ኣብ ቀጻሊ ዘስዕቦ ፀገም ኣይፍለጥን። ጂናት ኵሉ ግዜ ኣብ ፍልቀት ወይ ቀስ ዝበለ ለውጢ ይርከቡ። እዚ ንኣከባቢ ክጐድእ ይኽእል እዩ ዝብል ጥርጣረ ኣሎ። እዚ ንሳይንቲስት እውን የተሓሳስቦም'ዩ። ብመንጽር ጥዕና ድማ፡ ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዘስዕብ ዝፍለጥ ነገር ከምዘየለ እቲ ተመራማሪ ኣስሚሩሉ። ካልእ ዘተሓሳስብ ድማ ዛዕባ ጻህያይ እዩ። ገለ ካብቶም በዚ ኣገባብ ዝቐርቡ ፍርያት ብሰንኪ ተቓላዕነቶም ዝለዓለ ጸረ-ጻህያይ የድልዮም። ካልኦት ዓይነታት ድማ ባዕሎም ጻህያይ ዘጥፍኡ እዮም። እዚ ድማ እቲ ‘ጠቓሚ’ ጻህያይ ኣብ ቀረባ እዋን ክጠፍኣሉ ዝኽእል ሓደጋ የልዕል። “በዚ መንጽር ኣየናይ ወገን ይሓይሽ?” እንተተባሂሉ ግን ጥቕሞም ክምዘን እዩ። እቲ ንእሽቶ ዝለዓል ድኽመት ናይዚ ዓውዲ፡ ሕቶ ዋንነት እዩ። ብጀነቲካዊ ኣገባብ ዝተቐየሩ ህይወታውያን ብዓበይቲ ኮርፖሬሽናት ዝውነኑ እዮም። ኣብቲ ዘሎ ዘራእቲ፡ ሓረስቶት ነቲ ንዝቕጽል ዓመት ዝትከል ዘርኢ ካብቲ ናይዚ ዓመት ቀውዒ ይዕቅብዎ። እዚ ግን ብጀነቲካዊ ኣገባብ ዝተቐየሩ ህይወታውያን ብኩባንያታት ዝውነኑ እንተዀይኖም ኣይክኸውንን እዩ። ዓመት ዓመት ነቲ ዘርኢ ካብተን ኩባንያታት ክትገዝኦ ከገድዱኻ ይኽእሉ እዮም። እንተዘይኰይኑ እቶም ኣፍረይቲ ከቢድ መቕጻዕቲ የጋጥሞም። ቢቢሲ፡ እሞ እቲ ኣወንታዊ ወገን ትቕበሎ? - ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ዶክተር ታደሰ፡ ከምዚ ይብል። \"እወ። ምኽንያቱ ክድሕን ስለ ዝኽእል። ንኣብነት ኣብ 2050 ብዝሒ ህዝቢ ዓለም 9.3 ቢልዮን ክበጽሕ ትጽቢት ይግበር። ዓለምለኻዊ ትካል ምርምር መግቢ ከምዘመልክቶ፡ ዓለም ኣብዚ እዋን’ዚ ብ70 ሚእታዊት ዝያዳ ቀረብ መግቢ የድልያ። ነዚ ንምዕዋት እንተተኻኢሉ ዝዀነ ይዅን ቴክኖሎጂ ብዘይ ኣፈላላይ ክንጥቀመሉ ይግባእ ይመስለኒ። ወሲኹ ድማ፡ \"ሓደስቲ ቴክኖሎጂታት እንተዘየተኣታቲና፡  ነዚ ህዝቢ ምምጋብ ኣይከኣልን እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ስለዚ ጂኤምኦ ብዝተኻእለ መጠን ኣየነይቲ ሃገር ብፍላይ ድማ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ብዘየገድስ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ይግባእ። ምኽንያቱ ኣገዳስነቱ ርኡይ እዩ፡\" ኢሉ። ነዚ ፍርያት ኣብ ምጥቃም ኣውሮጳ ከም ኣብነት ዝጠቅስ እቲ ክኢላ፡ ኣማራጺታት ከም ዘለዎም፡ ብዝሒ ህዝቦም ድማ ውሑድ ብምዃኑ፡ ብዛዕባ ጸገም ሕጽረት መግቢ ከም ዘየሻቐሎም ይጠቅስ። “ግን ናይ መግቢ ጸገም ኣሎና። ናይ ግንዛበ ጸገም እውን ኣሎ። ስለዚ ሰፊሕ ርድኢት ዘለዎ ፈጠራዊ ምንቅስቓስ ክህሉ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ነዚ ግን ጠለብ መግብን ውሕስነት መግብን ሕብረተሰብ ብዝሕሉ መገዲ መምርሕን ንጹር ፖሊሲን ከምዘድሊ ወሲኹ ገሊጹ። ብሰንኪ ሓደጋ ጥዕና ንዓሰርተታት ዓመታት ኣጊዳቶ ዝጸንሐት ኬንያ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብጀነቲካዊ ኣገባብ ዝተቐየሩ ኣእካልን ቀለብ እንስሳን ምጥቃምን ካብ ወጻኢ ንምእታውን ፈቒዳ ኣላ። “መንግስቲ ኬንያ ምፍቃዱ ቅኑዕ እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ተወፋይነትን ሓላፍነትን ዘለዎ መንግስቲ፡ ቴክኖሎጂ ዝህቦ ጸጋታትን ሜላታትን ተጠቒሙ ንህዝቡ ንምምጋብ ክገብሮ ዘለዎ እዩ።\" ዶክተር ታደሰ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዅን ክኢላታት እቲ ዓውዲ ካብዚ ትምህርቲ ክወስዱ ከምዘለዎም ብምሕባር፡ ሕብረተሰብ ካብ እሙናት ሚድያን ኣካላት መንግስትን ሓበሬታ ረኺቡ ነቲ ቴክኖሎጂ ክጥቀመሉን ክመዓራርዮን ከምዘድሊ ይምዕዱ። ብፍላይ ከም ኬንያ ዝኣመሰላ ሃገራት ብጀነቲካዊ ኣገባብ ዝተቐየረ ኣእካልን ቀለብ እንስሳን ምጥቃም ስለ ዝፈቕዳ፡ ምቍጽጻር ዶባት ክህሉ ይግባእ። እዚ ዝበለ ድማ እቲ መስርሕ ኣብ ከባቢና ዘስዕቦ ጉድኣት ስለ ዝህሉ እዩ። \"ቁጽጽር እንተዘይሃልዩ ጽቡቕ ኣይክኸውንን'ዩ፤ ምቁጽጻር ኣድላይ ኰይኑ ግን፡ ብሕጋውን ብመጽናዕታውን መገዲ ክፍቀድ ኣለዎ። ድሕነት መግቢ ኣዘራራቢ ኣብ ዝዀነሉ ዓለም፡ ቴክኖሎጂ ናይ ምምራጽ ዕድል የብልናን።\" እቶም ብጀነቲካዊ መገዲ ዝተቐየሩ ድንሽ፡ ሶያን ዕፉንን ንምፍታን ጻዕርታት ይግበር ከምዘሎ ዝገልጽ እቲ ተመራመሪ፡ እዚ ጻዕሪ \"ክተባባዕ ከምዘለዎ\" ይመክር።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2v4p77e7no"} {"headline":"ናብ ትግራይ መግብን መድሃኒትን ዛጊት ኣይኣተወን - ውድብ ጥዕና ዓለም","content":"ኣብ ኲናት ትግራይ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ እኳ እንተተኸተመ፡ ዛጊት ዝዀነ መግቢ ይዅን መድሃኒት ናብታ ክልል ከምዘይኣተወ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ። ሕቡራት ሃገራት፡ ኢትዮጵያ ኣብታ 90% ካብ ህዝባ ንሓደጋ ተቓሊዑ ኣብ ዘሎ ትግራይ ንጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ትጥቀም ኣላ ክብል ክኸስስ ጸኒሑ እዩ። ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ዝተንቀሳቐሰ ነገር የለን” ኢሉ። “እቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ምስተገበረ፡ መግብን መድሃኒትን ብቕልጡፍ ክውሕዝ ክጅምር ትጽቢት ነይሩኒ። እዚ ግን ይኸውን የለን።” ሰባት ብጥምየትን ከፍወሱ ብዝኽእሉ ሕማማትን ይሞቱ ከምዘለው’ውን ገሊጹ። ተወላዲ ትግራይ ዝዀነ ዶክተር ቴድሮስ፡ ተሌፎን፡ ባንክን ካልእ መሰረታዊ ኣገልግሎታት’ውን ኣብታ ክልል ዳግም ክጅምር ጸዊዑ። ሽዱሽተ ሚልዮን ህዝቢ ንኽልተ ዓመታት “ዳርጋ ከምዘየለው” ካብ ካልእ ዓለም ተነጺሎም ምህላዎም ተዛሪቡ። ሓደ ኢትዮጵያዊ በዓል ስልጣን ግን፡ ዶክተር ቴድሮስ ነቲ ስምምዕ ሰላም የነኣእሶ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ መግብን መድሃኒትን ናብ ትግራይ ይኣቱ ከምዘሎ ገሊጹ። ኣብ ገለ ከባቢታት ኣገልግሎታት ኤለክትሪክን ተሌፎን ከምዝተመለሰ’ውን ተዛሪቡ። ኣብ መወዳእታ 2020 ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ተወሊዑ ዳርጋ ንኽልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝተገበረ ስምምዕ ከብቅዕ ተስፋታት ሰላም ፈጢሩ ኣሎ። ኣብዚ ሰሙን ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ክልቲኡ ወገናት ዕጥቂ ምፍታሕ ብዝምልከት ኣብ ናይሮቢ ተራኺቦም ዝርርብ የካይዱ ኣለው።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4n41nlep7eo"} {"headline":"ፍርቂ ሚዛኑ ዝማሰነ ህጻን ‘ሃብቶም’","content":"ህጻን ሃብቶም ዕድመኡ ኣስታት ሓሙሽተ ዓመት ኰይኑ’ሎ። ግን ፍርቂ ናይቲ ክምዘኖ ዝግባኦ ጥራይ እዩ ክብደት ሰብነቱ። እቲ ዶክተር ነቲ ዓጽሚ ጥራይ ዝተረፈ ቅልጽሙን እግሩን ንምርኣይ ንስረኡን ዝተኸደኖ ጐልፎን ክቐልዖ እንከሎ፡ ኣደኡ ብስቕታ ትጥምቶ ነበረት። ስማ ክትገልጽ ኣይትደልን። እዚ ድሕሪ’ቲ ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝርአ መዓልታዊ ውጽኢት ጥምየትን ሕጽረት መግቢን እዩ። ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ነቲ ውግእ ደው ከብሎ'ኳ እንተኸኣለ፡ ካብቲ ግጭት ዝተረፈ በሰላ ግን ሕጂ’ውን ኣሎ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ነሓሰ ኣብ ትግራይ ካብ ሰለስተ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት ዳርጋ ሓደ ሕጽረት መግቢ ከም ዘለዎም ግምት ኣቐሚጡ ነይሩ። ወተሃደራት መንግስቲ ፈደራልን ሓይልታት ትግራይን ይዋግኡ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ነቲ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ሓገዝ ክንኪ ወይ ብኸቢድ ክግደብ ካብ ምግባር ብተወሳኺ፡ ናብ እገዳ ኣምሪሖም። ምስቲ ኲናት ማዕረ ዕድመ ዘለዋ ማክዳ፡ ልክዕ ከም ህጻን ኣብ ሕቝፊ ኣደኣ ሂወት ተጣቢቓ ትርአ። ኣዝያ ተዳኺማ ከብዳ ድማ ብኸቢድ ሓቢጡ ኣሎ። \"መግቢ ምርካብ ኣዝዩ ከቢድ እዩ\" ትብል ሂወት። ኣስዒባ፡ \"ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ'ውን እንተዀነ ክትበልዕ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ\" ክትብል ነቲ ዘሎ ከቢድ ኵነታት ትገልጾ። ማክዳ ናብ ሆስፒታል ካብ እትኣቱ ጀሚራ ኵነታታ እናገደደ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። \"ጓለይ ኣብ ከምዚ ኵነታት ዘላ፡ መድሃኒት የለን ስለዝተበሃልና እዩ። ዝዀነ ነገር ክንረክብ ኣይከኣልናን\" ትብል ሂወት። \"ዓሚ ብሰንኪ ተመሳሳሊ ጸገም ናብዚ ኣብ ዝመጻእናሉ እዋን'ውን እንተዀነ ዋላ ሓንቲ ክረክብ ስለዘይከኣልኩ ጥራሕ ኢደይ ናብ ገዛይ ተመሊሰ።\" ስድራ ሃብቶምን ማክዳን ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ንደቈም ሕክምና ክደልዩ ጸኒሖም ኣለዉ። ቢቢሲ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ወርሒ ብቪድዮ ቀዲሑ ቃለ መጠይቕ ኣካይዱሎም ነይሩ። ድሕሪ ነሓሰ ሓይልታት መንግስቲ ፈደራል ዝያዳ መሬት እናተቘጻጸሩ ምስ ከዱ መራሕቲ ትግራይ ተዅሲ ደው ንምባል ተሰማሚዖም። ብመሰረት ውዕል እቲ ኣብ መጀመርታ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ድማ፡ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ተወሳኺ ሓገዝ ክንሰድድ ኢና ክብሉ ኣፍሊጦም። ዶክተር ክብሮም ገብረስላሴ ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ንዝሓለፉ 15 ዓመታት ሓኪም መጥባሕቲ ኰይኑ ይሰርሕ ኣሎ። 7 ሚልዮን ሰባት ኣብ ዝነብሩሉ ክልል እቲ ዝዓበየ መንግስታዊ ሆስፒታል እዩ። \"ንኣሽቱ ህጻናትን ኣዴታትን መዓልታዊ ክሳቐዩን ክበኽዩን ምርኣይ፡ ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ\" ይብል ዶክተር ክብሮም። \"ኣብ ሆስፒታልና ብዙሓት ህጻናት ሞይቶም እዮም። ምኽንያቱ ሓደ ህጻን ሕጽረት መግቢ ምስ ኣጋጠሞ፡ ክትህቦም ዘለካ መግቢ ጥራይ ኣይኮነን፤ መድሃኒት፡ ጸረ-ረኽሲ፡ ሚነራላትን የድልዮም እዩ ... እዚ ድማ የብልናን\" ክብል የረድእ ገለ ካብቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ቀረባት ሕክምና ዝመጽእ ዘሎ ይመስል ግን ከኣ እዅል ኣይኰነን። ዶክተር ክብሮም፡ ካብ ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል (ICRC) ዝተለኣኸ ናውቲ ሕክምና ዝሓዛ ቀዳሞት ክልተ ናይ ጽዕነት መካይን ናብ መቐለ ከምዝበጽሓ ይዛረብ። \"እቲ ዝረኸብናዮ መጠን መድሃኒት ንፍርቂ ሕሙማትና ዝኣክልን ንሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ዝጸንሐን እዩ ነይሩ\" ይብል። ናብቲ ሆስፒታል ሓገዝ ኣብ ዘይበፅሓላ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዝያዳ ሕሙማት ይሞቱ። \"ንኣብነት ሕሙማት ካንሰር (መንሽሮ) እንተርኢና፡ እቲ ዘሎ ኵነታት ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። ኣብ መላእ ትግራይ ኬሞቴራፒ ዝበሃል የለን\" ይብል ዶክተር ክብሮም። \"ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ፡ ደረጃ መንሽሮኦም እናገደደ ይኸይድ\" \"ቅድሚ ሕጂ ዝፍወስ እንተነይሩ፡ ሎሚ ግን ብመጥባሕቲ እውን ክሕከም ዘይክእል ኰይኑ ኣሎ። ነቶም ኣዝዮም ዝሓመሙ ውልቀሰባት ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰዓት ትርጕም ኣላታ\" ብምባል ነቲ መዓልታዊ ትዕዝብቱ የረድእ። ካብ መፋርቕ ሕዳር ክሳብ ቀዳማይ ሰሙን ታሕሳስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትካላት ረድኤትን ብልዕሊ 1600 ናይ ጽዕነት መካይን መግቢ፡ መጽለልን ናውቲ ሕክምናን ክሰዱ ከምዝኸኣሉ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። ዓለምለኻዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል (ICRC) እውን ካብ መፋርቕ ሕዳር ጀሚሩ ብውሕዱ 38 ናይ ጽዕነት መካይን ናብ መቐለ ከምዝሰደደን ካልኦት ድማ ኣብ መንገዲ ከምዘለዋን ኣፍሊጡ’ሎ። \"ብዅሎም ሰብኣዊ ተዋሳእቲ ጻዕርታት ይግበር'ኳ እንተሃለወ ምስ ጠለብ ክነጻጸር እንከሎ እኹል ኣይኰነን\" ይብል ወሃቢ ቃል ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣብ ኢትዮጵያ ጁድ ፉህዊ። እቶም ጠለባት ድማ ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ውሽጢ ዝቕጽሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ 2.1 ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሓገዝ መግቢ ንምብጻሕ ሸቶ ሒዙ’ሎ። \"ድሕሪ እቲ ስምምዕ ሰላም ብዙሕ ምምሕያሻት ኣሎ\" ይብል ወኪልን ሃገራዊ ዳይሬክተርን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ክላውድ ጂቢዳር። \"ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ግጭት፡ ኣብ ሓጺር እዋን ናብ ንቡር ክንምለስ ትጽቢት ኣይነበረናን\" ክብል ይገልጽ። ሓይልታት ፈደራል ኣብ ሰሜን ብሽረ ዝርከቡ ከባቢታት ዝቈጻጸሩ'ኳ እንተዀኑ መቐለ ግን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር መንግስቲ ትግራይ ትርከብ። ኣብ ካልእ ክፍሊ ሆስፒታል ዓይደር፡ ፍቓዱ ጀምበር ዝተባህለ ጡረተኛ መምህር ረኺብና። ንዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ንሕማም ሽኮርያኡ ዝኸውን መድሃኒት ክረክብ ከምዘይከኣለ ይገልጽ። \"ንሕክምና ናብዚ ክንመጽእ ከለና፡ መብዛሕትኡ መሳርሒታት ኣይሰርሕን። ኣብ ኵሉ ቦታ ንጽዕር ኣለና፣ ብሰንኪ እቲ ዕጽዋ ግን ዋላ ሓደ ነገር የለን\" ይብል። \"ብሰንኪ እዚ ብዙሓት ሰባት ይሞቱ ኣለዉ። ስምምዕ ሰላም ምስተፈረመ፡ መድሃኒት ክንረክብ ኢና ዝብል ተስፋ ነይሩና፣ ክሳብ ሕጂ ግን ዝበጽሐ ነገር የለን\" ክብል’ውን ነቲ ኩነታት የረድእ። ሓካይም እቲ ኣዝዩ መሰረታዊ ዝዀነ ቀረብ እዩ ዝጐድሎም። \"መጥባሕቲ ንምግባር እዅል ጓንቲ የብልናን። ዳግማይ ክንሓጽቦምን ክሳብ ሰለስተ ግዜ ክንጥቀመሎምን ኢና ንግደድ\" ይብል ዶክተር ክብሮም። \"ደም ስለዘይብልና ዝዀነ ዓይነት ደም ናይ ምትካእ ሕክምና ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ፡ ሓደ ሕሙም ምምሕልላፍ ደም ከምዘድልዮ እንተፈሊጥና፡ በቃ እቲ መጥባሕቲ ኣይንገብሮን\" ክብል ይውስኽ። ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ስሙ ክግለጽ ዘይደሊ ካልእ ሓኪም፡ ውሑድ ናውቲ ሕክምና ይረኽቡ ከምዘለዉ ይዛረብ። \"እቲ ሆስፒታል ብዝቘሰሉ ወተሃደራትን ሲቪላውያን ሕሙማትን መሊኡ ኣሎ\" ዝብል እቲ ሓኪም መብዛሕትኦም ይሕገዙ ከምዘየለዉ ይገልጽ። ሰበስልጣን ፈደራል ዝገበርዎ ኣወንታዊ ነገር ናብ መቐለ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክምለስ ምግባር ጥራሕ እዩ ይብሉ እቶም ሓካይም። እቲ ሆስፒታል ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ መድሃኒት ኤችኣይቪን መመርመሪ ናውቲን ክመጹ ከምዝጀመሩ ኣፍሊጡ ነይሩ። ግን ከኣ እቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝዀኑ ሰባት ነቲ ዝለዓለ ዋጋ (ሞት) ኣብ ምኽፋል ይርከቡ። \"ዝሓሸ መጻኢ ክህልዋ እየ ዝደሊ\" ትብል ኣደ ማክዳ ሂወት። \"ነዚ ጥራይ እየ ክሓስብ ዝኽእል\" ክትብል’ውን ወሲኻ ትዛረብ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3g1gz6zndyo"} {"headline":"ኲናት ኢትዮጵያ: ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ ጀሚሩ’ዶ?","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብታ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ህጹጽ ረድኤት ከምዘድልዮም ዝዝረበላ ትግራይ ረድኤት ይውሕዝ ከምዘሎን ይገልጽ። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ፌደራል መንግስትን ዓመጽቲ ትግራይን፡ ነቲ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ኲናት ደው ንምባል ስምምዕ ተፈራሪሞም ኣለዉ። እሞ ደኣ ኣብዚ እዋን ናብቶም ዝተጸገሙ ሰባት ረድኢት ይበጽሕ’ዶ ይህሉ? ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ብ 11 ሕዳር 2022፡ ሓገዝ \"ልዕሊ ዝኾነ እዋን ሎሚ ይውሕዝ ኣሎ\" ክብል ጽሒፉ ነይሩ። እዚ ድማ 35 መኻይን መግቢ ከምኡ ድማ 3 መኻይን መድሃኒት ፅዒነን ናብ ክልል ትግራይ ከተማ ሽረ ንዝኣተዋ ዘጠቓለለ ምዃኑ ሓቢሩ። ንሱ ወሲኹ፡ እቲ ምብፃሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝሓዝዎ ከባቢታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ናብ ዘይርከብ ከባቢታት እውን ምዃኑ ኣመልኪቱ። ወሲኹ ድማ፡ ንቐረብ ሓገዝ ብዝምልከት \"ዝኾነ ይኹን ዕንቅፋት\" ከምዘየለ ገሊጹ። ኣምባሳደር ሬድዋን ፀኒሑ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እተን ዝጠቐሳ ናብ ሽረ ዝተላእካ 35 ናይ ጽዕነት መካይን ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዃነንን፡ ዓለምለኻዊ ሓገዝ ድማ \"ኣብ ዝኾነ እዋን\" ክኣቱ ከምዝጅምርን ኣነጺሩ። ሽረ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት መንግስቲ ከምዝወደቐት ይፍለጥ። ናብ ካልኦት ከባቢታት ዝኸደ ሓገዝ እንተሃልዩ ከነጽረልና ሓቲትናዮ፡ እንተኾነ ግን ክሳብ ሕጂ መልሲ ኣይረኸብናን። ኣምብሳደር ሬድዋን ኣብ ትዊተር ጽሑፍ ካብ ዝዝርግሕ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ መግለጺ ዘውፅአ መንግስቲ ኢትዮጵያ \"ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ናብ ዝርከብ ዝበዝሐ ክፋል ትግራይ ሓገዝ ንምብጻሕ ጻዕርታት ይግበር ኣሎ\" ኢሉ። ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ነቲ መንግስቲ “ሓገዝ ይኣቱ ኣሎ” ዝበሎ ሓቂ ኣይኮነን ክብል ሞጒቱ’ሎ። ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ክሳብ 13 ሕዳር 2022 ኣብ ዝነበረ እዋን ናብ ክልል ትግራይ ዝኾነ ሓገዝ ከምዘይበጽሐ ሓቢሩ። እዚ ርእይቶ ኣይተ ጌታቸው ድማ ካልእ ኣባል መሪሕነት ህወሓት ዝኾነ ፕሮፌደር ክንደያ ገብረሂወት ብትዊተር ዝዘርግሖ ሓበሬታ ዝተደገፈ ነይሩ። ንሱ: \"ህዝብና ኣብ ሓጺር ግዜ ዕንቅፋት ዘይብሉ ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮ... መብጽዓታት ግብራዊ ኮይኑ ክንርኢ ንደሊ!\" ኢሉ። ክልቲኦም ወገናት ነቲ ስምምዕ ሰላም ብኸመይ ከም ዝትግበሩ ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ተራኺቦም ድሕሪ ምዝታይ ምስተሰማምዑ ብ 12 ሕዳር 2022 ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ከም መንጐኛ ኮይኑ ዝዋሳእ ዘሎ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ፡ ሓገዝ \"ትማሊ\" [ቀዳም] ክኣቱ ነይርዎ ኢሉ። \"ብቕጽበት ዝጅምር ገደብ ዘይብሉ ተበጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ክህሉ'ዩ\" ክብል ብቢቢሲ ኣብ ዝተሓተተሉ እዋን ወሲኹ ገሊጹ። ናይ መወዳእታ ምንቅስቓስ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ትግራይ ዘብጽሐ ሰብኣዊ ጽዕነት ብዕለት 22 ነሓሰ 2022 ኮይኑ፡ ብጎረቤት ክልል ዓፋር ናብ ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ዝበፅሐ እዩ። ብዕለት 23 ነሓሰ ድማ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ብነፋሪት ዝበጽሐ ሓገዝ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ኣብቲ እዋን ኣብ ትግራይ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ከቢድ ሓደጋ ጥምየት ኣንፀላልይዎ ከምዝነበረ መረዳእታ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም የመልክት። ኣብ ክልል ትግራይ ንዝንቀሳቐስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምርካብ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ዓለም ለኻዊ ሓገዝ ብዝተሓሓዝ እንታይ ይፍፀም ከምዘሎ ንምፍላጥ ፈቲንና። ወሃቢ ቃል ቤት ፅሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኤንኦቻ) \"ንሕና [ምስ] ሰብኣዊ መሻርኽትና ብምዃን ምስ ዝምልከቶም ወገናት፡ ናብ ትግራይ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ቀረብ ረድኤት ዳግም ንምጅማር ንዘራረብ ኣለና\" ኢሉ። \"ሰብኣዊ መሻርኽቲ ንኽኸዱ ፍቓድ ምስ ረኸቡ ኣብ ውሽጢ ካብ 48 ክሳብ 72 ሰዓታት ነቶም ሓገዛት ንምልኣኽ ድሉዋት እዮም\" ክብል ወሲኹ ገሊፁ። እዚ፡ ክሳብ ሕጂ ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ሓገዝ ቃፍላይ ይኹን ሰብኣዊ ሓገዛት ዝፀዓና ነፈርቲ ናብ ትግራይ ክኣትዋ ፍቓድ ከምዘይተዋህበ እዩ ዘመልክት። ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ናብታ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር መንግስቲ ፌደራል እትርከብ ከተማ ሽረ ሓገዝ ሰዲድና ዝበልዎ ድማ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሰራሕተኛ ሰብኣዊ ሓገዝ ውዱቕ ጌርዎ’ሎ። እቲ ሰራሕተኛ ረድኤት “ናብ ከተማ ሽረ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ክኣትው ፈጺሙ ኣይተፈቐደን\" ከምዝበለ ይግለፅ። ናብ ክልል ትግራይ ዝውሕዝ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ሕዳር 2020 ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣፀጋሚ ኮይኑ ይርከብ። ዓለምለኻውያን ትካላት ረድኤት፡ ኣብ መንጎ ሓምለን ታሕሳስን 2021 ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ ሚያዝያን ነሓሰን 2022 ረድኤት ንምቕራብ ዕድል ዝረኸቡሉ ኣጋጣሚ ምንባሩ ይዝከር። ግን እቲ ዋሕዚ፡ ብሰንኪ ድሩትነት ወይ ዕፅዋ ቀረብ ሰኣዊ ሓገዝ፤ ፅዑቕ ምዕፃው መገድታትን ፈተሻን ዕንወትን ከምኡ’ውን ዕንወት መሰረተ-ልምዓት (ትሕተ ቅርጺ) ንኣዋርሕ ተኣጓጒሉ ፀኒሑ’ሎ። ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓይልታት ፌደራል መንግስትን ክልላዊ መንግስትን ብዘለዉ ከባቢታት ተጠቒምካ ብፅርግያ ንዝካየድ ንምቅስቓስ ቃፍላይ ረድኤት ፍቓድ ኣብ ምሃብ ዝፍጠር ምድንጓይ ቁልፊ ጉዳይ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ። መንግስቲ ንበረራታት ሰብኣዊ ረድኤት እውን ጽኑዕ ቁጽጽር ዝንበረ ኮይኑ - እዚ ድማ ኩሉ  በረራታት ንፈተሻ ብዝብል መጀመርታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክዓልባ ምግዳድ የጠቓልል። ንፈለማ እዋን፡ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ህጹጽ ናይ ሕክምና ቀረባት ዝሓዛ ቃፍላይ መካይን ሎሚ ኣብ መቐለ ከምዝኣተዋ ሓቢሩ'ሎ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c51x9g0k56ko"} {"headline":"ትግራይ፡ ዋጋ ሓደ ኩንታል ጣፍ 17 ሽሕ ብር ከምዝበፅሐ ነበርቲ ገሊፆም","content":"ኣብ ትግራይ ኣብዚ እዋን'ዚ ንሓደ ኩንታል ጣፍ ክሳብ 17 ሽሕ ብር ይሽየጥ ከምዘሎ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊፆም። ትግራይ፡ ምስ ፈደራል መንግስትን መሻርኽቲ ሓይልታትን ኣብ ኲናት ድሕሪ ምጽማዳ፣ ብሰንኩ ዝሰዓበን ምሉእ ዕጽዋ፡ ነበርታ ኣብ ሕሱም ኵነታት መነባብሮን ግዳያት ናህሪ ዋጋታት መሰረታዊ ሃለኽቲ ነገራትን ኰይኖም ከም ዘለው ይግለጽ። ኣብታ ክልል ኣብ ንጥፈታት ረድኤት ዝተዋፈሩ ውልቀሰባት’ውን ብወገኖም፡ ሓደ ኩንታል ጣፍ ካብ 15 ክሳብ 17 ሽሕ ይሽየጥ ከምዘሎ ንቢቢሲ ሓቢሮም። እቶም ስሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ሰራሕተኛታት ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት፡ ሰብመዚ ትግራይ ኣብ መሸጣ ዋጋ ጣፍን ካልኦትን ተመን ምውጽኦም ነቲ ወሰኽ ዋጋ ከምዘጋደዶ ኣረዲኦም። ዳኒኤል ዝተባህለ ነባሪ ከተማ መቐለ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ህዝቢ ብሰንኪ ሕጽረት መሰረታውያን ቀረባትን ምውሳኽ ዋጋ ሸቐጣትን ኣዝዩ ሕሱም ኵነታት መነባብሮ የሕልፍ ከምዘሎ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ብፍላይ ዋጋ ጣፍ ንህሉው ኵነታት ሕብረተሰብ ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዘይኮነ ወሲኹ ሓቢሩ። “ዋጋ ጣፍ ኣዝዩ ወሲኹ’ሎ። ነጋዶ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ጨኪኖም፣ ንኵነታት ሕብረተሰብ ኣብ ግምት ዘየእተወ ተግባር እዮም ዝፍጽሙ ዘለው። ከቢድ ኵነታት ኢና ንሓልፍ ዘለና። ብዙሓት እንጀራ ክምገቡ ኣብ ዘይክእሉሉ ደረጃ በጺሕና ኣለና\" ክብል ኣረዲኡ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ኵነታት መነባብሮ ህዝቢ ኣብ ኣዝዩ ዘሕዝን ደረጃ ከምዝበጽሐ ዝገለጸልና ካልእ በርሀ ዝተባህለ ወሃቢ ርእይቶ ብወገኑ፡ እዚ ድማ ውጽኢት ኲናት ዘስዓቦ ማሕበረ ቍጠባዊ ጸቕጢ እዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ሓቢሩ። “ጥሜትን ድርቅን ኣሎ፣ ሰባት ነታ ዘላቶም ተማቒሎም ክሓድሩ ይፍትኑ ኣለዉ። ካብ ትግራይ ወጻኢ ካብ ዝነበሩ ስድራኦም ገንዘብ ዝለኣኸሎም ሰባት ዝደልይዎ ነገር ክገዝኡ ኣይከኣሉን። ብፍላይ ዋጋ ጣፍ ዝከኣል ኣይኮነን\" ኢሉ። በርሀ ከምዝበሎ፡ ዋጋ ጣፍ ጥራይ ዘይኮነስ ዋጋ ስርናይን ሓርጭን እውን ምስ ዓቕሚ'ቲ ሕብረተሰብ ዝመጣጠን ኣይኮነን። \"ሓደ ሰብ ካብ ስድራኡ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ እንተተላኢኹሉ 25 ኪሎ ጣፍ እኳ ክገዝእ ኣብ ዘይክእለሉ እዋን ኢና ዘለና። ርብዒ ኩንታል ንምግዛእ ልዕሊ 4 ሽሕ ቅርሺ ክህልወካ ኣለዎ\" ክብል ነቲ ኵነታት የረድእ። በርሀን ዳኒኤልን ከም ዝበልዎ፡ ኣብ ትግራይ ዋጋ ጣፍ ብዝለዓለ መጠን ዝወሰኸሉ ምኽንያት፡ ሕፅረት ስለዘሎ ጥራሕ ዘይኮነስ ነጋዶ ዘይፍትሓዊ መኽሰብ ንምርካብ ዋጋ ስለዝወሰኹሉ እዩ። “እቶም ነጋዶ ዝነበሮም ጣፍ ሓቢኦም ብምሓዝ፡ ‘የብልናን’ ብምባል ከምኡ’ውን ብደላሎ ኣቢሎም ብዝለዓለ ዋጋ እናሸጡ ንሕብረተሰብ ይምዝምዝዎ ኣለው። መንግስቲ ነዚ ኩነታት ንምቁጽጻር ንጥፈታት ከምዝጀመረ እንተገለፀ’ኳ ክሳብ ሎሚ ግን ዝኾነ ለውጢ ኣይተራእየን\" ይብል በርሀ። ዳንኤል ብወገኑ \"ነዚ ኩሉ ተሓተትቲ እቶም ነጋዶ እዮም። መንግስቲ ዋጋታት ንምርግጋእ ዝከኣሎ እኳ እንተገበረ፡ ነጋዶይ ግን 'በቲ ዝወሰንናዮ ዋጋ ክንሸይጥ ኢና' ይብሉ ስለዘለዉ እዩ እቲ ጸገም ተፈጢሩ ዘሎ\" ክብል ይገልጽ። መራሕቲ እቲ ክልል ዋጋ ጣፍ ንምቁፅፃር ተመን ኣቐሚጦም ንግብራውነቱ ፃዕሪታት እንተገበሩ’ውን፡ እቶም ነጋዶ ብወገኖም ናብ ምትህልላኽ ብምእታው መኽዘኖም ናብ ምዕፃውን ዝነበሮም ጣፍ ክሳብ ምሕባእን ከምዝበጽሑ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ከተማ መቐለ ገሊፆም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ንሓደ ኩንታል ካብ 16 ክሳብ 17 ሽሕ ቅርሺ ብምኽፋል እንጀራ ጣፍ ክምገቡ ዓቕሞም ዘይፈቕደሎም ሰባት ነቲ ብሓገዝ ዝረኽብዎ ስርናይን ብዘላቶም ዓቕሚ ዝዕድግዋ ምሸላን እናተጠቐሙ እንጀራ ከዳልዉ ይግደዱ ኣለው። ስሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ዋጋ ጣፍ ክውስኽ ካብ ዝገበሩ ቀንዲ ጉዳያት እቲ ሓደ እቶም ነቲ ክልል ዘመሓድሩ ዘለዉ ሰበስልጣን ኣብ ዋጋ ተመን ከውስኑ ምፍታኖም እዩ። እቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ዕዳጋታት ዝቐርብ ዘሎ ጣፍ፡ ነጋዶ ምስ ትግራይ ብዝዳበው ከባቢታት ኣምሓራን ዓፋርን ኣቢሎም የእትዉ ብምህላዎም ከምዝኾነ እቶም ንቢቢሲ ርእይትኦም ዝሃቡ ነበርቲ አረዲኦም። ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ዝተወሰነ ጣፍ ብነጋዶ ኣቢሉ [ብሕቡእ] ናብ ትግራይ ብምእታዉ ኣብ ዋጋ ምምሕያሽ እኳ እንተተራእየ ነዊሕ ከይፀንሐ ናብ ዝነበሮ ኣዝዩ ዝለዓለ ዋጋ ከምዝተመለሰ ቢቢሲ ካብ ነበርቲ ክርዳእ ክኢሉ’ሎ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል (ዶ\/ር) ቅድሚ ሒደት መዓልታት ምስ ነበርቲ መቐለ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፡ ጉዳይ ምንሃር ዋጋ ጣፍ ዝምልከት ሕቶ ካብ ተሳተፍቲ ተላዒሉ ነይሩ። ካብቶም ምስቲ መራሒ ዝተዘራረቡ ነበርቲ ሓንቲ ዝነበራ ኣደ ኣብ ዝሃብኦ ሓሳብ፡ በቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ኣዝዩ ዝለዓለ ዋጋ ጣፍ ንሹመኛታትን ነጋዶን ተሓተትቲ ገይረን። ኣብቲ ህዝባዊ ኣኼባ ንዝቐረቡ ሕቶታት መልስን መብርህን ዝሃበ መራሒ እቲ ክልል ዶክተር ደብረጽዮን፡ ዘይግቡእ ወሰኽ ዋጋን ዘይሕጋዊ ንግዳዊ ንጥፈታትን ከምዘሎ’ዩ ኣረጋጊጹ። “እቶም ዘይሕጋውያን ነጋዶ ውሑዳት እዮም። ብዝርዝር ሒዝናዮም ኢና። ህዝቢ ዝነገረና ጥራሕ ዘይኮነስ ባዕል’ውን ኣፃሪናዮ ኣለና። ስጕምቲ እውን ክንወስድ ኢና። ምሉእ ሓበሬታ ምስ ረኸብና ናብ ሕጊ ከነቕርቦም ኢና\" ዝብል ሓፂር መልሲ ሂቡ። ጣፍ ዝርከቦም ካልኦት ሸቐጣትን ቀረባትን ናብ መቐለ ምስ በፅሑ ናብ ካልኦት ከባቢታት ትግራይ ከምዝባጽሑ ይግለፅ። ከምኡ ብምዃኑ ድማ ዋጋ ጣፍ ካብቲ ናይ መቐለ ኣዝዩ ከምዝውስኽ ይግመት። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰራሕተኛታት ትካል ግራሰ ሰናይ ከምዝሓበርዎ፡ ዝዀነ ሰብ ዋላ በቲ ዝበሃል ዘሎ ክባር ዋጋ ጣፍ ክገዝእ እንተደልዩ ብቐጥታ ካብ ነጋዶ ዘይኮነስ ብደላሎ ኣቢልካ ስለዝኸውን፡ ብሰንኪ'ዚ ዋጋ ናይ ሓደ ኩንታል ልዕሊ 20 ሽሕ ብር ይበፅሕ። ንምጅማር ኩናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ስዒቡ ከም ቴሌኮም፡ ኤሌክትሪክን ባንክን ዝበሉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ኣብ ዝተቛረፀላ ትግራይ ሓደ ኩንታል ጣፍ ካብ 6-8 ሽሕ ብር ይሽየጥ ነይሩ። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ሰብኣዊ ቅልውላው ፈጢሩ ከምዘሎ ይፍለጥ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓዊሱ ብዙሓት ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ኣብቲ ክልል ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ሓደጋ ጥሜት ከምዝርከቡ ብተደጋጋሚ መጠንቀቕታ ኣብ ምሃብ ይርከቡ። ካብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ኣትሒዙ ትካላት ረድኤት ናብ ትግራይ ሓገዝ ስርናይ፡ ዕፉንን መኣዛዊ መግብታትን የብጽሑ ምህላዎም ይገልፁ። ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝዘርግሖ መግለፂ፡ ኣብቲ ክልል ዘንፀላለወ ስግኣት ጥሜት ምግታእ ከምዝተኸኣለ ገሊፁ ነይሩ። እንተዀነ ንትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ህወሓት በዚ መግለጺ ኣይሰማማዕን። ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣድሪያን ቫንዳክናብ ብ8 ሓምለ 2014 [ግእዝ] ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ነዚ ዝበለ ኰይኑ፡ ኣብ ትግራይ ንልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዝበፅሐ’ውን ኣፍሊጡ። ይዅን እምበር ኣባል መሪሕነት ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ነቲ ሓላፊ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ነቲ ስግኣት ጥሜት ተገቲኡ’ሎ ክብል ዝሃቦ መግለፂ ምንቃፉ ይዝከር። መራሕቲ ህወሓት እቲ ናብቲ ክልል ዝበፅሕ ሓገዝ ምቍርራፅ ከምዘጋጥሞን ናብ ተጠቀምቲ ከይበፅሕ ድማ ሕፅረት ነዳዲ ቀንዲ ማሕለኻ ኰይኑ ከምዘሎን ብተደጋጋሚ ይገልፁ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cndypw87zlwo"} {"headline":"ጸባ ጡብ ኣደ፡ ፍጹም ዘይትካእን ምስ ኵነታት ዝቀያየርን ትሕዝቶኡ","content":"መብዛሕትና መዓልቲ ኣቦታት፡ መዓልቲ ኣደታት እናተባህለ ብደረጃ ዓለም ክኽበር ንፈልጥ ወይ ንሰምዕ ኢና። እንተዀነ፡ እቲ ካብ 1 ክሳዕ 7 ነሓሰ ዝዝከር ሰሙን ጡብ ኣደ ምዃኑ እንፈልጥ ክሳብ ክንደይ ንኸውን? እተን ቀዳሞት ሸውዓተ መዓልታት ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ነሓሰ፡ ጸባ ጡብ ኣደ ዝኽበረለን እየን። ጸባ ጡብ ኣደ ምጥባው ንጥዕናን ድሕነትን ህጻናትን ዘለዎ ዓቢይ ረብሓታት ንምድንፋዕ፡ ኣብ 1992 ዝተጀመረ ወፍሪ 179 ሃገራት ከም ዘብዕላኦ ይፍለጥ። ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባ ጡብ ኣደ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ቀመር ጸባ ንእሽቶ ክንብለኩም ፈቲና። ጸባ ጡብ፡ ሓደ ህጻን መጀመርታ ክምገቦ ዝግባእ ብሉጽ ምርጫ እዩ (ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሕጻናት ኣብተን ናይ መጀመርታ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ምሉእ ብምሉእ ክጥቡ ከም ዘለዎም ይላቦ)። ብቐንዱ ማይ፡ ስብሒ፡ ፕሮቲን፡ ቫይታሚናት፡ ማዕድናት ከምኡ’ውን ንስርዓተ ምሕቃቕ ምግቢ ዝሕግዙ ኤንዛይማትን ሆርሞናት ዝሓዘ እዩ። ካብ ኣደ ዝርከብ ሕማም ዝከላኸሉ ጸረ-ኣካል ስለዘለዎ፡ ረኽሲ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ'ውን ኣለዎ። ጸባ ጡብ ከም ኵነታቱ ዝለዋወጥ ባህሪ እውን ኣለዎ። ንኣብነት ካብ ናይ ንግሆ ብዝያዳ ድሕሪ ቐትርን ምሸትን ስብሒ ዝመልኦ ይኸውን። ኣብ እዋን ምጥባው እውን ይፈላለ። እቲ ሕጻን ክጠቡ ክጅምር እንከሎ እቲ መጀመርታ ዝፈስስ ጸባ ቐጢንን ብላክቶስ ዝበልጸገን ስለ ዝዀነ እቲ ንምስታይ ቀሊልን ጽምኢ ዘርውን ይኸውን። ብድሕሪኡ ዘሎ ጸባ፡ ክሬም መሳሊን ስብሕን ዝሓዘ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ህጻን ንኽጸግብ ይገብሮ። እዚ ከከም ኵነታቱ ዝለዋወጥ ባህሪ፡ ካብቲ ጸባ ጡብ ብዝዀነ ይዅን ዝተመስርሐ ጸባ ክትካእ ዘይኽእለሉ ሓደ ምኽንያታት እዩ። \"ጸባ ጡብ፡ ኣብ እዋን ምጥባው፡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ መዓልቲ፡ ምጥባው ተጀሚሩ ክሳብ ዝውዳእ ከምኡ'ውን ምስ ዓይነትን ኵነታት ኣመጋግባኣ ዝኣመሰሉ ረቛሒታት ይፈላለ እዩ፡\" ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደን ፕሮፌሰር ኣመጋግባ ሕጻናት ዝዀነት ሜሪ ፊውትረል። ጸባ ጡብ ኣደ ፍሉይ ዝገብርዎ ከም ሆርሞን፡ ዋህዮታትን ንኣሽቱ ፍሕሶታት ጀነቲካዊ ንጥረ ነገርን ዝኣመሰሉ መኣዛታትን ተዋጽኦታት ከምዝዀኑ ሜሪ ፊውትረል ተብርህ። \"ክሳዕ ሕጂ ግደ እዞም ኵሎም ተዋጽኦታት እንታይ ከም ዝዀነ ምሉእ ብምሉእ ኣይተረዳእናዮን። ... ምናልባት እታ ኣደ ነቲ ህጻን ብዛዕባ ተመክሮኣን ኣከባቢኣን ሓበሬታ ተመሓላልፈሉ መገዲ ክኸውን'ውን ይኽእል። ጸባ ጡብ ምጥባው 'እቲ ሓደን ቀንድን መግቢ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ በዚ ምኽንያት እዩ።\" ይዅን እምበር፡ ብዝሒ እቶም ኣብተን መጀመርታ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ምሉእ ብምሉእ ጸባ ጡብ ኣደኦም ጥራይ ዝምገቡ ህጻናት ከም እቲ ዝድለ ከም ዘይኰነ ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ይሕብሩ። ሰበ ስልጣን ጥዕና ንኣደታት ዝያዳ ደገፍ ብምሃብ እዚ ቝጽሪ ክብ ንኽብል ይፍትኑ ኣለዉ። ኣብ መበል 19ን መጀመርታ መበል 20ን ክፍለዘመን ጡጦ ምምጋብ ድሕነት ዘለዎ ኣማራጺ ኣይነበረን። ኣብ 1865 ኣርባዕተ ቐንዲ ተዋጽኦታት (ጸባ ላም፡ ስርናይ፡ ቡቕሊን ፖታሲየም ባይካርቦነትን) ተጠቒምካ፡ ብቐመር ዝምስራሕ ጸባ ህጻናት ንንግዲ ምድላው ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ትሕዝቶኡ ብዘደንቕ መገዲ ተዀሊዑ እዩ። እሞ ደኣ ሎሚ ብቐመር ዝምስራሕ ጸባ ካብ ምንታይ እዩ ዝዳሎ? ከም እኒ ጸባ ላም ወይ ጤል (መብዛሕትኡ ግዜ ላህመቱ ዝተገፍፈን ከም ጸባ ጡብ ስብሒ ዘይብሉን) ከምኡ'ውን ከም ተምሪ፡ ሱፍን ስብሒ ኣሲድን ካብ ዝኣመሰሉ ምንጪታት ስብሒ ይዳሎ። ኣብ ጸባ ጡብ ኣደ፡ እቲ ቀንዲ ባእታ ካርቦሃይድረይት ላክቶስ እዩ። ኣብ ቀመር ጸባ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ላክቶስ ናብቲ ላህመቱ ዝተገፈፈ ሕሩጭ ጸባ ክውሰኽ ይግበር። ማልቶዴክስትሪን (ካብ ዕፉን ወይ ካብ ድንሽ ዝወጽእ ካርቦሃይድረይት) እውን ይውሰኽ እዩ። ኣብ ብሪጣንያ ግሉኮስ ወይ ሽኮር ብስሩዕ ኣይውሰኽን፤ ኣብ ኣሜሪካ ግን ሽኮር ዝያዳ ይጥቀሙ። እዚ ድማ ኣብ ዕሸላት ምብልሻው ስኒ ስለ ዘስዕብ ጸገም ክህልዎ ይኽእል እዩ። ኣብ ጸባ ጡብ ኣደ ወይ (whey) ከምኡ’ውን ካሴን  (casein) ዘተበሃሉ ቀንዲ ፕሮቲናት ይርከቡ። እቲ ህጻን እናዓበየ ክኸይድ እንከሎ መጠን እዞም ፕሮቲናት እውን ይቕየር እዩ። ብተወሳኺ ላክቶፈሪን ዝበሃል ብፍላይ ኣብ ልግዐ (እታ ኣደ ድሕሪ ሕርሳ ተፍርዮ ናይ መጀመርታ ጸባ) ብዝለዓለ ትሕዝቶ ዝርከብ ዓይነት ፕሮቲን እዩ። ብዝሕን ውህደትን ፕሮቲን ኣብ ብቐመር ዝተመስርሐ ጸባ ኣብቲ ጸባ ላምን ኣጣልን ተመርኲሱ ይፈላለ እዩ። ጸባ ላምን ይዅን ጤል ካብ ጸባ ጡብ ዝለዓለ ናይ ወይ (whey) ከምኡ’ውን ካሴን  (casein) ምትእስሳር ኣለዎም። እቶም ካብ ተኽሊ ዝስርሑ ጸባ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ኣዳጉራ ብዝርከብ ፕሮቲን እዮም ዝስርሑ። ብተወሳኺ ቀመር ጸባ ዝተሓዋወሰ ቪታሚናት (A, D, B and K) ከምኡ’ውን ከም ካልሲየም፡ ማግነዝየም፡ ሓጺን፡ ዚንክን ካልኦት ብዙሓት ኣሰር ባእታታትን ዝኣመሰሉ ማዕድናት ዝሓዘ እዩ። ይዅን እምበር ጸባ ጡብ ፍሉይ ዝገብሮ ነገር ብቐጻሊ ናይ ምቕያርን ምትዕርራይ ናይ ምግባርን ክእለት እዩ። ክኢላ ኣመጋግባ ዕሸላትን ቍጥዐ ኣካላትን ዝዀነት ኤሚሊ ብሎክሳም ከም እትብሎ፡ \"እዚ ጠቓሚ ንጥረ - ነገራት'ዚ ዘለዎ መጠንን ቅርጽን ከከም ጂን ጂኦግራፍያዊ ዞባታት፡ ደረጃታት ሕርሲ፡ ኣመጋግባ ዝኣመሰለ ዝተፈላለየ ረቛሒታት ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ይፈላለ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ውልቀ-ሰብ እውን ከይተረፈ ነቲ ህጻን ዘድልዮ ንምምላእ በብመዓልቱ ጸባ ጡብ ይቕይር እዩ።\" ቀመር ጸባ ግን ከምዚ ዝበለ ከም ኣድላይነቱ ናይ ምቅይያር ባህሪ የብሉን። ቀመር ጸባ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ናብ ጸባ ጡብ ዝቐረበ እኳ እንተዀነ፡ ጸባ ጡብ ግን እቲ ህጻን ጥዑይ ኰይኑ ንኽዓቢ \"ቀንዲ መራሒ\" ምዃኑ ኤሚሊ ብሎክሳም ትገልጽ። እቲ ዘሕዝን ግን፡ ኣብ ጸባ ጡብ ዝርከቡ መርዛማት ንጥረ ነገራት ኣብዞም ብቐመር ዝምስርሑ ጸባታት እውን ክርከቡ ዝኽእሉ ምዃኖም እዩ። መርዛም ከሚካላት ናብ ጸባ ጡብ ወይ ቀመር ጸባ እንተ ኣትዮም፡ እቲ ሕቶ ንደቅና ብኸመይ ድሕነት ዘለዎ መግቢ ክንህቦም ከም እንኽእል ጥራይ ኣይኰነን። ብዘይካ'ዚ ንዓታቶምን ንዝመጽእ ወለዶታትን ሰላምን ምቹእ ሃዋህው ብኸመይ ከም እንህቦምን ነቲ ኣብ ብምሉኡ ሰንሰለት ምግቢ ዘሎ ብከላ ብኸመይ ከም እንንክዮን እዩ። ሓደ ካብቲ መልሲ ብቐዳምነት ብዝተኻእለ መጠን ዝወሓደ ጐዳኢ ከሚካላት ብምጥቃም ከምዝዀነ ክኢላታት ይሕብሩ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crg7vlny1pwo"} {"headline":"ወጻኢታት መግቢ ብኸመይ ንቝጥብ?","content":"ናህሪ ዋጋታት ልዕሊ ዓቕምና እናዀነ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ብዙሓት ሰባት ካብቲ ሰሙናዊ ዝዕድግዎ ዓይነታት መግቢ ክንክዩ ይውስኑ ኣለው። ዝዕድግዎ ነገራት ካብ ምንካይ ብተወሳኺ፡ ገንዘቦም ብዙሕ ነገራት ንምግዛእ ክተኣኻኸለሎም ይደልዩ። ቢቢሲ ምስ ኣጠቓቕማ ገንዘብ ብዝተሓሓዝ ተመኵሮ ንዘለወን ሰባት ኣዘራሪቡ'ሎ። ሮዚ፡ ቅድሚ ናብ ዕዳጋ ምኻድና ነቲ ኣብ ከብሒ ገዛና ዘሎ ነገራት ብግቡእ ንርኣዮ ክትብል ትምዕድ። \"ዝርዝር ኣዳሊኻ ምሓዝ ዝህልዎ ረብሓ ኵላትና ንፈልጦ ኢና፤ ግን ከኣ ነቲ ኣብ ከብሒ ኣስቤዛ ዘሎ ነገራት ከይረኣና፡ ተወሳኺ ንዕድግ እንተዄንና ንዘየድልየና ነገር ገንዘብ ምውጻእ እዩ ዝኸውን\" ትብል። \"ኣብ ከብሒ ሓሙሽተ ዕሹግ ናይ ፓስታ ስልሲ እናሃለወና ተወሳኺ ምዕዳግ ትርጉም የብሉን\" ኢላ። ንሳ ኣብ ከብሒ ኣስቤዝኣ ዘሎ ነገራት ብዝርዝር ናይ ምሓዝ ተመኵሮ ኣለዋ። ወትሩ፡ ናብ ሹቕ ክትኸይድ እንከላ ኣብ ገዛኣ እንታይ ኣሎን የለን ፈሊጣ እያ ትወጽእ። እዚ ድማ ነቲ ንዓኣ፡ ንበዓል ቤታን ወዲ ሓደ ዓመት ወዶምን ዘድሊ ሰሙናዊ ወጻኢታት መግቢ ትሕቲ 40 ፓውንድ ክኸውን ከም ዝገበሮ ትዛረብ። ናብ ድኳን ክንኣቱ እንከለና ፈለማ ናብቲ ምንካይ ዋጋ ዝተገበረሉ ዓይነት ኣስቤዛ ምኻድ ከም ዘድሊ፡ ሊን ትምዕድ። \"ብዝርዝር ኣብ ወረቐት ካብ ዝጸሓፍኩምዎ ነገራት፡ ኣብኡ እንተረኺብኩም ቅሩብ ገንዘብ ክተትርፉ ክኢልኩም ኣለኹም ማለት'ዩ\" ትብል። ኣብ መዝሓሊ ዝተቐመጡ፡ ከምኡ ድማ ዝተዓሸጉ መግቢታት እውን ዝነከየ ዋጋ ከም ዝህልዎም ትዛረብ። \"ኣብ መዝሓሊ ክጸንሕ ዝተገበረ ስጋ፡ ዓሳን ኣሕምልትን ዳርጋ ኵልግዜ ካብቲ ሓድሽ ዝነከየ ዋጋ እዩ ዘለዎም\" ትብል ሊን። \"ናብቲ ሓድሽ ቅድሚ ምኻድኩም ካብቶም ኣብ መዝሓሊ ዝተኸዘኑ እንተረኺብኩም ቅሩብ ገንዘብ ቈጢብኩም ማለት'ዩ\" ክትብል ተረድእ። ምስ ብኽነትን ምሕደራ ሃብትን ብዝተሓሓዝ ዝሰርሕ ትካል ግብረሰናይ 'ደብሊው. ኣር. ኤ. ፒ.' [Waste and Resources Action Programme (WRAP)] ከም ዝብሎ፡ ዝባኸነ ወይ ዝተበላሸወ ብዝብል ዝጓሓፍ መግቢ፡ ብገምጋም ካብ ሓደ ስድራ፡ ዓመታዊ 700 ፓውንድ ይበጽሕ። \"እንጥቀሞም ነገራት መዓልቲ ኣገልግሎቶም እናኣኸለ ይመጽእ እንተሃልዩ፡ ኣብ ፍሪጅ ክነእትዎም ይግባእ\" ትብል ሊን። \"መዓልቶም ዝቐረበ መግብታት ኣብ ሱፐር ማርኬታታት ብዝሓሰረ ዋጋ ክትረኽብዎም ትኽእሉ ኢኹም። ከም ፀባ፡ ፎርማጆ (ቺዝ) ከምኡ ድማ ፍሩታን ኣሕምልትን ኣብ ፍሪጅ ኣጽኒሕና ኣብ ዝደለናዮ እዋን ክንጥቀመሎም ንኽእል ኢና\" መርበብ ሓበሬታ 'ዘ ፉል ፍሪዘር' እተካይድ ኬት ሆል፡ ዳርጋ ኵሉ መግብታት ኣብ ፍሪጅ ኣብሪድካ ክቕመጥ ዝኽእል'ኳ እንተኾነ፡ ኣገባብ ኣጠቓቕማኡ ግን ክትቅይሮ ከም ዘለካ ትዛረብ።\\n\\n\"ንባናና ወይ ሰላጣ ከተምውቕ ኣይትኽእልን፤ ናብ ፍሪጅ ምስ ኣተወ ከኣ ልክዕ ከምቲ ዝነበሮ ክኸውን ትጽቢት ኣይግበርን\" ክትብል ተረድእ። ኣስዒባ፡ \"ኣብ ፐዲን ( ፈኲስ ሕውስዋስ መግቢ)፣ ወይ ኣብ ሾርባ ክትጥቀመሉ ከም እትኽእል እንተሓሲብካ ግን፡ ሽዑ ብዙሕ ገንዘብ ክትቑጥብ ትኽእል ኢኻ\" ክትብል ትምዕድ። ሮዚ ከም እትብሎ፡ ኣብ ድኳናት እንዕድጐም መብዛሕትኦም መግብታት፡ ነቶም ኣቕረብቲ ትካላት ብዝጥዕሞም መገዲ እምበር ነዓና ብዝምቸኣና ኵነታት ዝተዓሸጉ ኣይኮኑን። ንኣብነት እቲ ብረቂቕ ፕላስቲክ ተዓሺጉ ኣብ ድኳናት እንረኽቦ ቅንጥሻራ (ማሽሩም) ናብ ገዛና ምስ ወሰድናዮ፡ ነቲ ፕላስቲክ ክንቕንጥጦ እንተኽኢልና ከይተበላሸወ ክጸንሕ ከም ዝኽእል ትሕብር። ወፍሪ 'ላቭ ፉድ ሄት ዌስት' እተካይድን ኣባል ትካል ግብረ ሰናይ 'ደብሊው. ኣር. ኤ. ፒ.' ን ዝዀነት ሄለን ዋይት፡ መግብታት ብፍላይ ሓድሽ ፍሩታን ሰላጣን ከይተበላሸዉ ክፀንሑ ንገብረሎም ነገራት ኣለዉ ትብል። \"ኣብ ክሽነ ንጥቀመሉ ሶፍት፡ ብንእሸተይ ናብቲ ሰላጣ ዝሓዘ መዕሸጊ ክነእትዎ እንተኽኢልና፡ እቲ ሶፍት ነቲ ዝፍጠር ራህዲ ስለ ዝመጦ፡ እቲ ሰላጣ ከይተበላሸወ ክጸንሕ ይገብር\" ክትብል ተረድእ። ፍሩታታት ኣብ ፍሪጅ ክጸንሑ ምግባር ድማ፡ ከየተበላሸዉ ንክቕንዩ ይሕግዝ'ዩ። ግን ከኣ እቲ መጠን ሙቐት ትሕቲ 5 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ምዃኑ ምርግጋጽ የድሊ። ሮዚ፡ ንናይ ከባቢኣ ንኣሽቱ ቸርቸርትን ናይ ዓመታት ተመኵሮኦምን ክትጥቀመሉ'ያ ትጽዕር። ንሳ፡ እንዳ ስጋ ንዘለዎም ሸቃጦ ብኣብነት ተልዕል። \"ዓቢይ ጸጋ እዮም፤ ብዛዕባ ምቑጣብ ገንዘብ ክነማኽሮም ክንስከፍ የብልናን\" ትብል። \"ኣብ ከባቢኻ ስጋ ናብ ዝሸጡ ሰባት ኣቲኻ ንሓደ ሰሙን ዝኸውን ንስጋ 8 ፓውንድ ጥራይ ከም ዘለካ እንተነጊርካዮም፡ ዝሓሰረ ቁራጽ ስጋ ብምግዛእ ገንዘብካ ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ ክነግሩኻ ይኽእሉ እዮም\" \\nብምባል ተረድእ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cevx7gp5z5qo"} {"headline":"ዘይተወልዱ ዕሸላት፡ ንካሮት ‘ብፍሽኽታ’፡ ንሓምሊ ‘ብጽዋገ’ ከም ዝቕበሉ ተመራመርቲ ሓቢሮም","content":"ኣብ ማህጸን ዝርከቡ ዕሸላት፡ ኣደታቶም ካሮት ክበልዓ ከለዋ ‘ፍሽኽ ከምዝብሉ’፡ ሓምሊ ክምገባ ከለዋ ድማ ‘ጽውግ ከምዝብሉ' ኣብ ብሪጣንያ ኣብ 100 ነፍሰጾራትን ዕሸላትን ዝተገብረ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ። ቤተ-ፈተነ ናይቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ዱርሃም፡ እዚ፡ ዕሸላት ንዝተፈላለየ መኣዛታት መግቢ ምላሽ ከም ዝህቡ ዘርኢ ፈላማይ ዝተመዝገበ ቀጥታዊ መረዳእታ ምዃኑ ገሊጹ። ተመራመርቲ፡ ኣብ ልዕሊ 100 ነፍሰጾራትን ገና ዘይተወለዱ ዕሸላተንን መጽናዕቲ ብምክያድ’ዮም ነዚ ውፅኢት ወግዓዊ ዝገበሩ። ን35 ደቂ ኣንስትዮ ሓርጭ ካሮት ዝሓዘ ለቘታ መድሃኒት [ካፕሱል] ንኻልኦት 34 ደቂ ኣንስትዮ ድማ ሓርጭ ሓምሊ ዝሓዘ ካፕሱል ሂቦምወን። እተን ዝተረፋ 30 ደቂ ኣንስትዮ ግን ካብ ክልቲኡ ኣይተወሃበንን። እቲ ጕጅለ ኣብ መጽሄት ሳይኮሎጂካል ሳይንስ ዘውፅኦ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ እተን ኣደታት ነቶም ‘ካፕሱላት’ ካብ ዝውሕጣ ድሕሪ 20 ደቓይቕ፡ ብ4D ኣልትራሳውንድ ክረኣያ እንከለዋ መብዛሕትኦም እቶም ንሓምሊ ዝተቓልዑ ዕሸላት ተጸዊጐም ክብሉ እንከለዉ፣ እቶም ንካሮት ዝተቓልዑ ከኣ ፍሽኽታ ዝመልኦም ነይሮም። ኣብ ዕሸላት እተን ካብ ክልቲኡ ዘይተወሃበን 30 ነፍሰጾራት ግን ዝዀነ ምላሽ ኣይተራእየን። ኣመጋግባ ነፍሰጾራት ዝተፈላለየ መኣዛ ክህልዎ ስለ ዝኽእል፡ ምርጫታት መግቢ ሰባት ገና ከይተወለዱ ክጅምር ከም ዝኽእል ቅድሚ ሎሚ ዝተገበሩ መጽናዕትታት ይሕብሩ። እዚ ብዩኒቨርሲቲ ዱርሃም ዝተዳለወ ሓድሽ መጽናዕቲ ግን፡ ገና ዘይተወለዱ ህጻናት ንዝተፈላለየ መኣዛታት ዝህብዎ ምላሽ ብቐጥታ ክረጋገፅ ከሎ ናይ መጀመርታ ምዃኑ ይግለጽ። \"ዕሸላት፡ ኣደ ብእትምገቦ ኣቢሎም ዝረኽብዎ መኣዛ ንጥዕናኦም ዘለዎ ኣገዳስነት ኣቐዲሙ ካብ ዝተገብረ መጽናዕቲ ዝፍለጥ እዩ። እቲ ዘይንፈልጦ ግን ብጭቡጥ መዓስ ከም ዝጅምር'ዩ\" ትብል ተሳታፊት ናይቲ መጽናዕቲን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዱርሃም ሓላፊት ቤተ-ፈተነ ምርምር ጽግያትን ህጻናትን ናጃ ራይስላንድ። ንሳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ \"ዘይተወልዱ ህጻናት ካብ መበል 14 ሰሙን ጥንሲ ኣትሒዞም ሽኮር ከምዝመርጹ የርእዩ\" ኢላ። \"ንፈተነና፡ ኣብቲ ኣገላልጻኦም ዝተሓላለኸ ዝዀነሉ፡ መበል 32ን 36ን ሰሙን ጥንሲ ንዝርከቡ ዘይተወለዱ ህጻናት፡ ሓርጭ ዝሓዙ ካፕሱላት ሂብናዮም ኣለና። መጽናዕትና ብምቕጻል ድሕሪ ምውላዶም ከ ከምቲ ኣብ ማህጸን ኰይኖም ንካሮትን ሓምልን ዝሃብዎ ምላሽ ይህቡ ድዮም ኣይህቡን? ዝብል ክንዕዘብን ክንምዝግብን ንደሊ ኢና\" ክትብል ወሲኻ ሓቢራ። እዚ ፈተነ ብዛዕባ ምምዕባል ጣዕሚ ኣብ ዕሸላት እንታይ የርእየና? ራይስላንድ፡ ጣዕሚ ኣዝዩ ብኣጋኡ ከም ዝምዕብልን ኣብ ስርዓተ-ኣመጋግባ ዝምርኮስ ምዃኑ ከም ዘመልክትን ትዛረብ። \"እቲ ዕሸል ካብታ ኣደ ዝረኽቦ መግቢ፡ ድሕሪ ምውላዱ ነቲ ኣመጋግባ ይለምዶን ምብላዕ ይቕጽለሉን እዩ\" ክትብል ተረድእ። ዕሸላት ንመሪር ጣዕሚ ክነጽጉ ዝግደዱሉ ካልእ ምኽንያት እውን እታ በዓልቲ ሞያ ትሕብር። \"ንመሪር ጣዕሚ ምስ ሓደጋ እውን ነተሓሕዞ ኢና፤ ብኡ መሰረት ድማ ግብረ መልሲ ንህብ። ኵሎም መሪር ጣዕሚ ንመርዚ ስለዘየመልክቱ ግን፡ ነዚ ግብረ መልሲ ንምስጋር ንነብስናን ደቅናን ከነስተምህር ኣለና። ገለ መሪር ጣዕሚ ዘለዎም መግብታት ጥዕና ዘለዎምን ነቶም ዕሸላት ዝረብሕዎምን እዮም\" ትብል። ኣብቲ ብኣልትራሳውንድ ዝረአ ጽዋገን ፍሽኽታን \"እቲ ንመሪር መኣዛ ምላሽ ዝህብ ዘሎ ምንቅስቓስ ጭዋዳታት ክኸውን ይኽእል'ዩ\" ክትብል ተረድእ - ራይስላንድ። ንሳ ወሲኻ፡ ዕሸላት ገጻዊ ምልክታት ወይ ገለጻታት ከምዝረኣዮም እውን ወሲኻ ትሕብር። ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ዩኒቨርሲቲ ኖርዝዌስተርን ፋይንበርግ፡ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ኒዮናቶሎጂ ዝዀነ ዶክተር ዳንኤል ሮቢንሰን ኣብቲ መጽናዕቲ ኣይተሳተፈን። ንሱ ንኤንቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሰባት ንምስልታት ኣልትራሳውንድ፡ እቶም ዕሸላት ሓጐስ ወይ ዘይምፍታው ይገልፁ ከምዘለዉ ዘርእዩ እዮም ኢሎም ክትርጉምዎ ከምዘይብሎም ይሕብር። ኣብ ፊላደልፍያ ኣብ ዝርከብ ማእከል ኬሚካላዊ ህዋሳት ሞነል ተመራማሪት ዝዀነት ዶክተር ጁሊ ማኔላ እውን ኣብቲ መጽናዕቲ ኣይተሳተፈትን፡ እንተዀነ ኣብቲ ዓውዲ ክኢላ እያ። እቲ ስራሕ ቅድሚ ሕጂ ንዝተረኽበ ርኽበታት ዝድግፍ ምዃኑን፡ ዕሸላት ኣብ ፈሳሲ ማህጸን ብዘሎ መኣዛ መግቢ ኣቢሎም ብዛዕባ ኣመጋግባ ኣደኦም ከም ዝፈልጡ ምዝራባ ዘ ጋርዲያን የመልክት። ብተወሳኺ፡ ፕሮፌሰር ካትሪን ፎረስተል ካብ ኮሌጅ ዊልያም ኤንድ ሜሪ ቨርጂንያ፡ ሓደ ዕሸል ኣደኡ ንእትምገቦ መግቢ ብኸመይ ምላሽ ከም ዝህብ ኣብ መጻኢ ንዝግበር መጽናዕቲ ብሓጐስ ከም እትቕበሎ ተዛሪባ። ነቲ መጽናዕቲ ዝመርሐት በይዛ ኡስቱን፡ \"ህጻናት ገና ኣብ ማህጸን ከለዉ ጣዕሚ ከለልዩን ከሽትቱን ከምዝኽእሉ ብርክት ዝበሉ መጽናዕትታት ይሕብሩ። መጽናዕትና ድማ ቅድሚ ምውላዶም ነቲ ዝህብዎ ግብረ መልሲ ዝረኣየሉ እዩ\" ክትብል ትገልጽ። ወሲኻ፡ \"ዕሸላት ገና ከይተወለዱ ከለዉ ንመኣዛታት ብተደጋጋሚ ምቅልዖም፡ ድሕሪ ሕርሲ ንዝመፅእ ምርጫታት መግቢ ከም መሰረት ክሕግዝ ይኽእል እዩ ኢልና ንሓስብ። እዚ ድማ ኣብ ዙርያ ጥዕናዊ ኣመጋግባን ብዛዕባ 'ዝተሓዋወሰ መግቢ' ምውጋድን ብቝዕ መልእኽቲ ንምሕላፍ ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል'ዩ\" ትብል።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cpdyllxz82jo"} {"headline":"ኵነታት ዩክረይን ንዓለማዊ ሕጽረት እኽሊ መመሊሱ የጋድዶ","content":"ሩስያ ንወጻኢ ሃገራት እኽሊ ትሰድድ ከም ዘላ፡ ኣብቲ ዝሓዘቶ ደቡባዊ ግዝኣት መዝነት ዝተዋህቦ ሩስያዊ በዓል ስልጣን ተዛሪቡ። እዚ ጉዳይ’ዚ ሰበልጣን ዩክረይን፡ “ሩስያ 600,000 ቶን እኽሊ ሰሪቓ ገሊኡ ኸኣ ንደገ ትሰዶ ኣላ፡” ዝብል ክሲ ድሕሪ ምቕራቦም ዝተሰሞዐ ኰይኑ፡ ቢቢሲ ነዚ [ስርቂ] ከጻርዮ ኣይከኣለን ዘሎ። ሩስያ ዝዀነ እኽሊ ሰሪቓ ዝብል ክሲ ነጺጋቶ’ላ። ኲናት ሩስያን ዩክረይን ንዋጋታት ነዳዲ፣ እኽልን ዘይቲ ብልዕን ስለዘንሃሮ ኣብ ዓለም ከቢድ ምምዝባል ዕዳጋ ኣኸቲሉ ይርከብ። እቲ ኲናትን ቅልውላውን እንተቐጺሉ ከኣ ካልእ ዝኸፍአ ጸገማት ክኽሰት ከምዝኽእል ክኢላታት ቁጠባ ብተደጋጋሚ ክገልጹ ጸኒሖም ኣለው። ኣወሃሃዲ ቅልውላው ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣሚን ዓዋድ ካብ ጀነቫ፡ ብሰንኪ ሕጽረት እኽሊ ኣስታት 1.4 ቢልዮን ህዝቢ ክትንከፍን ጃምላዊ ስደት ክስዕብን ከምዝኽእልን ሓቢሩ ነይሩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት እዋናዊ ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ፕረዚደንት ሰኔጋል መኪ ሳልን ፕረዚደንትረ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዝተራኸብሉ ኣጋጣሚ፡ ግዳይ እቲ ግጭት ዝዀና ሃገራት ኣፍሪቃ ሕጽረት እኽልን ድኹዕን  ከምዘጋጠመን ተዘራሪቦምሉ ነይሮም። ኣብቲ ርክብ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ንኣፍሪቃ እኽልን ድኹዕን ንምስዳድ ቃል ከምዝኣተወ ተገሊጹ ነይሩ። ይዅን እምበር ብዛዕባ ሰደድ እኽሊ ብዝምልከት ሩስያን ዩክረይንን ብኣገልግሎት ወደብን ዕጽዋ ኮሪደር ባሕርን ብቐጻሊ እየን ዝካሰሳ ዘለዋ። ንማዕከን እኽሊ ‘ታ ዓመታዊ ሚልዮናት ቶናት እኽሊ ናብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ትልእኽ ዝነበረት ዩክረይን ክኽፈት ምግባር ዓለምለኻዊ ህጹጽ ዛዕባ ኰይኑ ኣሎ። እንተዀነ፡ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ነተን ኣብ ጸሊም ባሕሪ ዝርከባ ወደባት ዩክረይን ሓኒቝ ስለዝሓዘ፡ እዚ ብቐሊሉ ዝከኣል ኣይኰነን። ሩስያ ብወገና፡ መተሓላለፊ መስመር ሰደድ እኽሊ ግብራዊ ምእንቲ ክኸውን፡ ዩክረይን ነቲ ብነቶግቲ ሓጺራቶ ዘላ ወሰናስን ማያት ጸሊም ባሕሪ ናጻ ክትገብር ከም ዝግባእ ትጠቅስ። ብመሰረት ጸብጻብ ኒውዮርክ ታይምስ፡ ሩስያ ነቲ ዝተሰርቀ ስርናይ ዩክረይን፡ ናብተን ብድርቂ ዝተጠቕዓ ሃገራት ኣፍሪቃ ክትሸጦ ትፈታትን ከም ዘላ ኣሜሪካ ትኸስስ። ኣሜሪካ፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ግንቦት ኣቢሉ፡ እኽሊ ዝጸዓና መራኽብ ሩስያ ካብ ወደባት ዩክረይን ከም ዝተንቀሳቐሳ ዝገልጽ ብመገዲ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢኣ ኣቢላ ናብ 14 ሃገራት - መብዛሕተአን ሃገራት ኣፍሪቃ - ሓባሪ መልእኽቲ ሰዲዳ ነይራ። ኣብቲ ሩስያ ተቘጻጺራቶ ዘላ ዞባ ዛፖሪዝዝያ መዝነት ዝተዋህቦ የቭገኒ ባሊትስኪ ከም ዝብሎ፡ እኽሊ ብባቡራት ጽዕነት ኣቢሉ ናብ ክሪሚያ - ሩስያ ኣብ 2014 ዝሓወሰቶ ግዝኣት - ካብኡ ድማ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ከምዝኸደ ገሊጹ። ንሱ፡ ዋላ’ኳ ዝርዝር ሓበሬታ እንተዘይሃበ \"እቶም ቀንዲ ውዕላት ምስ ቱርኪ ይፍጸሙ ኣለው፡\" ክብል ንቴለቪዥን ሩስያ ሓቢሩ። ወሃቢ ቃል ሩስያ ኣብ ክረሚያ ዝዀነ ኦሌግ ክሪዩኮቭ፡ 11 ባጐኒታት እኽሊ ካብታ ኣብ ዛፖሪዝዝያ እትርከብ ከተማ መሊቶፖል ናብ ክረሚያ ከም ዝኣተዋ ሓቢሩ። ንሱ፡ ንኣገልግሎት ዜና ሩስያ - RIA - ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ካብቲ ብሩስያ ዝተጐብጠ ዞባ ኬርሶን፡ እኽሊ ይጓዓዓዝ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ። ቢቢሲ፡ ርእይቶ ንምርካብ ንሰበስልጣን ሩስያ ኣዘራርሪቡ እዩ። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ከተማ ኣንካራ ምስ ቱርካዊ መዘናኡ መቭሉት ካቩሶግሉ ብዛዕባ’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው እኽሊ ከም ዝተዘራረበ’ኳ እንተ ተፈልጠ፡ ብዛዕባ ንዝርዝር ትሕዝቶኡ ዝምልከት ግን ዛጊት ዝወጸ ሓበሬታ የለን። ላቭሮቭ፡ ነቲ ሩስያ ንሰደድ ስርናይ ዩክረይን ሓኒቓ ሒዛቶ’ላ ዝብል ክሲ ብምንጻግ፡ ንማያት ኦዴሳን ካልኦት ወደባትን ካብ ነተጕቲ ምጽራይ ብቐንዱ ሓላፍነት ዩክረይን ምዃኑ የተሓሳስብ። ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቓል፡ ዩክረይን ነቲ ዝበሃል ዘሎ ወሰናስን ከተጽርዮ ኣይትኽእልን እያ፣ ምኽንያቱ “ሩስያ ነቲ ኮሪደር ሰደድ እኽሊ ንደቡባዊ ክፋል ዩክረይን ንምጥቃዕ ክትጥቀመሉ እያ፡” ክብል ዘለዎም ስግኣት ይገልጽ። ሩስያ ብወገና፡ ጠንቂ ቅልውላው መግቢ ዓለም ኰይኑ ዘሎ ብቐንዱ እቲ ብምዕራባውያን ሃገራት ዝተነብረ ማዕቀብ ምዃኑ እያ ትወቅስ። እንተዀነ ምዕራባውያን፡ ሩስያ ቀረብ እኽሊ ከም መሳርሒ ኲናት ትጥቀመሉ ምህላዋ እዮም ዝዛረቡ። ቱርኪ፡ ውሑስ ማያዊ መተሓላለፊ መስመር ንኽፍጠር ክትሽምግል ፈተነታት ትገብር ምህላዋ ተፈሊጡ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣምባሳደር ዩክረይን ኣብ ቱርኪ ቫሲል ቦድናር፡ ሩስያ ካብ ክረሚያ ዝተሰርቀ እኽሊ ትልእኽ ከም ዘላን ቱርኪ’ውን ተቐባሊት ምዃና ሓቢሩ። \"ቱርኪ ነቶም እኽሊ ሰሪቘም ዝሸጡ ዘለው ገበነኛታት ደው ከተብሎምን፣ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ክትሕግዘናን ጥርዓን ኣቕሪብና ኢና፡” ከምዝበለ ሮይተርስ ገሊጹ ነይሩ። ኣቦ መንበር “ማሕበር እኽሊ” ዩክረይን ሚኮላ ጐርባቾቭ፡ ካብ ወደባት ዩክረይን ሰደድ እኽሊ ክቕጽል እንተዘይክኢሉ፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ዝሕፈስ ቀውዒ ምህርቲ ስርናይ ዓቢይ ሃስያ ከም ዘውርደሉ ኣጠንቂቑ። ሚስተር ሚኮላ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 44.7 ሚልዮን ቶን ዝነበረ ሰደድ ዩክረይን ሎምዘበን ናብ 20 ሚልዮን ቶን ክጐድል ከምዝኽእል ኣመልኪቱ’ሎ። ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን፡ ንዓለማዊ ቀረብን ዋጋን እኽሊ፡ ዘይቲ ብልዕን፡ ነዳድን ብኣሉታ ጸልይዎ እዩ። እገዳታት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ሩስያ’ውን ናይ ገዛእ ርእሱ ተራ ኣለዎ። ሩስያን ዩክረይንን ዳርጋ ሓደ ሲሶ ንዝኸውን ቀረብ ስርናይ ዓለም ይሽፍና። ኣበርክቶ ዩክረይን ከኣ ዳርጋ 10% ነይሩ። ብመሰረት ሓበሬታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዩክረይን ኣብ 2019፡ 16% ዕፉንን፡ 42% ዘይቲ ብልዕን ንዕዳጋ ዓለም ተቕርብ ነይራ። እዚ ኣብ ዩክረይን ኣጋጢሙ ዘሎ ኲናትን ምዕጻው ወደባትን ከምኡ’ውን ሓደ ሓደ ሃገራት ስግኣት ኣሕዲረን ኣእካለን ብምኽዛነን፡ ነተን ውሕስነት ምግቢ ዘይብለን ሃገራት ዓቢ ሕጽረት ፈጢሩ ይርከብ። ኣብ ሶማልያ ሓላፊ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ፔትሮግ ዊልተን፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓደገኛን ኣዕናውን ደርቂ የጋጥም ከምዘሎ ሓቢሩ። ንሱ፡ \"ኣብ ኣርባዕተ ተኸታታሊ ወቕቲ ዝፈሸለ ዝናብ 15 ሚልዮን ሰባት ኣደዳ ጥሜት ኣቃሊዕዎም ኣሎ፤ እዚ ቍጽሪ ድማ ክሳብ መወዳእታ’ዚ ዓመት ናብ 20 ሚልዮን ክበጽሕ ይኽእል’ዩ፡” ክብል ኣጠንቂቑ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c04ge9zpprjo"} {"headline":"ኣብ ውሽጢ ከብዶም ኣልኮላዊ መስተ ዘፍርዩ ሰባት","content":"ኣብ ሰሙን ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ግዜ የጋጥሞ። ኒክ ካርሰን ኮልተፍተፍ ክብል ይጅምር። ድሕሪኡ በብቝሩብ እግሩ ሰንከልከል ይብል። ዕላሉ ጽንግሊል ይኸውን'ሞ ኣብ መወዳእታ ናብ ዓሚቝ ድቃስ ይኣቱ። እቲ ኣቦ ክልተ ቈልዑ ኒክ፡ ኵሉ ምልክታት ስኽራን እዩ ዘርኢ። እቲ ጸገም ግን፡ ኒክ ዝዀነ ይዅን ኣልኮላዊ መስተ ኣይሰተየን ነይሩ። እቲ ስኽራን ዝመስል ኵነታት ግን፡ ብቓንዛ ከብዲ፡ ምንፋሕ ከብዲን ድኻምን ዝተሰንየ'ዩ። ብዙሕ ግዜ ሓሚሙ ውነኡ ይጠፍእ ነይሩ። ንመጀመርታ ግዜ ቅድሚ 20 ዓመት ኣቢሉ ስድራኡ ህሞታት ምዝንባል ኣእምሮ ከርእይ ከም ዝጀመረ ምስ ኣስተብሃሉ እዩ ኣጋጢምዎ። \"ቅድሚኡ ሰኺሩ ርእየዮ ኣይፈልጥን\" ትብል በዓልቲ ቤቱ ካረን። ካርሰን ንባዕሉ ነዞም ፍጻመታት ንጽባሒቱ ብንጹር ኣይዝክሮምን። \"እንታይ ከም ዝዀነ ኣይተረድኣንን\" ይብል እቲ ወዲ 64 ዓመት ኒክ ካርሰን። \"ድሕሪ ሽዱሽተ ወይ ሸሞንተ ሰዓታት ዋላ ሓንቲ ጸገም ከም ዘይተፈጥረ ይበራበር፣ ኣዝዩ ሳሕቲ 'ሃንግኦቨር' [ኣልኮላዊ መስተ ድሕሪ ምስታይ ዝፍጠር ስምዒት] ይስምዓኒ ነይሩ።\" ኣብ መወዳእታ ኒክን በዓልቲ ቤቱን እቲ ስኽራንን ምልክታቱን ከም ድንሽ ዝኣመሰለ ልዑል ካርቦሃይድሬት ዘለዎ መግቢ ድሕሪ ምብላዕ ዝብገስ ከምዝመስል ተረዲኦም። ኒክ ካርሰን፡ ብተደጋጋሚ ሓካይምን ክኢላታት ኣመጋግባን ምስ ኣማኸረ፡ 'ኣውቶ-ብሩዌሪ ሲንድሮም' ዝበሃል ሳሕቲ ዝረአ ሕማም ከም ዘለዎ ተረጋጊጹ። ኣውቶ-ብሩዌሪ ሲንድሮም ወይ Auto-Brewery Syndrome (ABS)፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ከብዲ ዝፍጠር ኵነታት ውሽጣዊ ምብልዕላዕ (gut fermentation syndrome) ብዝብል ይፍለጥ። ኣውቶ-ብሩዌሪ ሲንድሮም ብውሽጣዊ ምብልዕላዕ ፈንገስ ወይ ባክተርያ ኣቢሉ ኣብ ስርዓተ ምሕቓቕ ምግቢ፡ ጓንጓ ኣፍ ወይ ስርዓተ ሽንቲ ኤታኖል (ኣልኮል) ዝፍጠረሉ ብዓቢኡ ምስጢራዊ ኵነታት እዩ። ኣብ ደም ዝርከብ መጠን ኣልኮል ብምውሳኽ፡ እቶም ሕሙማት ኣልኮላዊ መስተ ይስተዩ ኣይስተዩ ብዘየገድስ ምልክታት ስኽራን ከርእዩ ይገብሮም። ኣብ ሕጊ ትራፊክ ዝግበር መርመራ ትንፋስ ንኸይሓልፉ ስለዝገብሮም ማሕበራውን ሕጋውን ሳዕቤናት ከምጽኣሎም ይኽእል እዩ። እዚ ዘይተለምደ ተርእዮ’ዚ ግን፡ ጠንቁ ክሳብ ሕጂ ብግቡእ ኣይተፈልጠን፡ ኣዝዩ ኣካታዒ’ውን’ዩ። ብተወሳኺ፡ መስተ ሰትዮም መኪና ብምዝዋር ዝተኸሰሱ ገለ ሰባት ከም ሕጋዊ መከላኸሊ ተጠቒሞምሉ እዮም። \"ተመራመርቲ መርዛም ነገራት፡ እዚ ናይ ብሓቂ ሕክምና ዘድልዮ ከም ዝዀነን ብሓቂ ድማ ካብ ውሽጣዊ ምብልዕላዕ፡ ኣልኮላዊ መስተ ከም ዝርከብን ዝኣምኑ ይመስለኒ\" ይብል ፈጻሚ ዳይረክተር ማእከል ምርምርን ትምህርትን ፎረንሲክ ሳይንስ ቤሬ ሎጋን። \"ኵላትና ካብ ምብልዕላዕ ውሑድ መጠን ኣልኮላዊ መስተ ነፍሪ ኢና፤ ኣብ መብዛሕትኦም ሰባት ግን፡ ኣዝዩ ንእሽቶ ስለዝዀነ ዝዕቀን ኣይኮነን።\" ሓደ ካብቲ ናብ ከምዚ ኵነታት ዝመርሕ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ዙርያ ኣብ ከብዲ ዝህሉ ዘይምዕሩይነት ረቂቅ ተሕዋስያን እዩ። እዚ ዘይምዕሩይነት፡ ገለ ረቂቅ ታህዋስያን ካብ መጠን ንላዕሊ ክዓብዩ ይገብር፤ እዚ ኸኣ ደሓር ኣብ ትሕቲ ፍሉይ ኵነታት፡ ልዑል ካርቦሃይድሬት ዘለዎ መግቢ ክረክብ እንከሎ፡ ብምብልዕላዕ ኣልኮላዊ መስተ ይፈጥር። ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ መንጐ እቶም ኣብ ፍሕኛ ሽንቲ ዝነብሩ ረቂቅ ታህዋስያን ዘጋጥም ዘይምዕሩይነት ኣልኮላዊ መስተ ከም ዝፈጥር ተረጋጊጹ እዩ። እዚ ድማ \"ምብልዕላዕ ፍሕኛ ሲንድሮም\" ተባሂሉ ይጽዋዕ። ከምዚ ዓይነት ኵነታት ሽኮርያ ኣብ ዝሓመሙ ሰባት ኣጋጢሙ እዩ። ሕማም ሽኮርያ እንተዘይተቘጻጺርካዮ፡ ኣብ ሽንቲ ሽኮር ይፈጥር እሞ ነቶም ረቂቅ ተህዋስያን መግቢ ክኸውን ይኽእል። መንቀሊ እቲ ናብ 'ኣውቶ-ብሩዌሪ ሲንድሮም' ዘምርሕ ሃንደበታውን ርኡይን ለውጢ ናይቶም ኣብ ውሽጢ ዝነብሩ ታህዋስያን እንታይ ክኸውን ይኽእል? 'ኣውቶ-ብሩዌሪ ሲንድሮም' ዋላ'ኳ ኣብ ጥዑያት ሰባት ዘጋጥም እንተዀነ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ኣብ ከም ሕማም ሽኮር፡ ምስ ስብሒ ዝተኣሳሰር ሕማም ጸላም ከብዲን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ሕዱር ሕማማት ብሓባር ዘለዎም ሰባት እዩ ዝርአ። ከምዚ ዓይነት ሕማም መጀመርታ ዝተረኣየ ኣብ ጃፓን ኣብ 1950ታት እዩ። ብፍላይ ህዝቢ ጃፓን ነዚ ኵነታት ተቓላዕቲ ምዃኖም ዝሕብሩ ሓሳባት ቀሪቦም እዮም። ኣብ ከም ጃፓናውያን ዝኣመሰሉ ዝተወሰኑ ህዝቢታት፡ ጸላም ከብዲ፡ ኣልኮል ናይ ምብትታን ዓቕማ ዝቕንስ ፍሉይ ጀነቲካዊ ለውጢ ከምዘሎ ገለ ተመራመርቲ ይገልጹ። እዚ ድማ፡ ንዝርግሐ እቲ ሕማም ኣበርክቶ ክገብር ከም ዝኽእል ይሕብሩ። ብመሰረቱ እቶም ፍሉይ ጀነቲካዊ ለውጢ ዘለዎም ሰባት ኣካላቶም ካብ ኣልኮላዊ መስተ ናይ ምጽራይ ዓቕሞም ትሑት እዩ ማለት እዩ። ኣብ 1984 ኣብ ክልተ ሕሙማት ዝተገብረ መጽናዕቲ ግን ካልእ መንቀሊ ከም ዘሎ ኣጕሊሑ፤ ኣብ ስርዓተ-ምሕቃቕ መግቢ ዝነብሩ ካንዲዳ ኣልቢካንስ ዝበሃሉ መባዅዕቲ ፈንገስ (yeast)። ሓንቲ ቅድሚ ሕጂ ጥዕይቲ ዝነበረት ጓል 24 ዓመት ነርስ፡ ልዑል ካርቦሃይድሬት ዘለዎ መግቢ ድሕሪ ምብላዕ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወይ ክልተ ሰዓት፡ ምልክታት ምድንዛዝ፡ ዕግርግር ምባል፡ ኣማዕቢላ። ሓደ መዓልቲ ቁርሳ ምስ በልዐት ድሕሪ ክልተ ሰዓት፡ ብሓፈሻዊ ሕማምን ምድንዛዝን ኣማሪራ፡ ሕልናኣ ስኢና ሕክምና ክሳብ ዘድልያ በጺሓ። ዝኾነ ኣልኮላዊ መስተ'ኳ እንተዘይሰተየት፡ ኣብ ትንፋሳን ደማን ዝነበረ መጠን ኣልኮል ኣዝዩ ልዑል ኰይኑ ከም ዝተረኸበ እቲ መጽናዕቲ የመልክት። ኣብ ከብዳ ቍጽሪ ናይቲ ካንዲዳ ኣልቢካንስ ዝበሃል መባዅዕቲ ፈንገስ ወሲኹ ከምዝነበረ ብመርመራታት ላቦራቶሪ ተረጋጊጹ። ኣብቲ ካልኣይ መጽናዕቲ ድማ፡ ሓደ ወዲ 35 ዓመት ኣሳሳዪ፡ ኣብ ትንፋሱ ጨና ኣልኮላዊ መስተ ከምዘሎ፡ ዓጀውጀውን ሰንከልከልን ከምዝብል የማርር። ንሱ’ውን ኣብ ከብዱ ልዑል መጠን ካንዲዳ ኣልቢካንስ ከምዘለዎ ተረጋጊጹ። ኣብቲ ካብቶም ሕሙማት ዝተረኸበ መባዅዕቲ ፈንገስ ዝተገብረ መርመራ ላቦራቶሪ፡ ክልቲኦም ካርቦሃይድሬት ብሓያል መንገዲ ኣፍሊሖም ኣልኮል የፍርዩ ከም ዝነበሩ ይሕብር። 'ካንዲዳ ኣልቢካንስ' ዝበሃሉ መባዅዕቲ ፈንገስ ኣብ ስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ ምንባሮም ንቡር እዩ። እንተዀነ ኣብቶም ሕሙማት ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ክዀኑ ከለዉ ካርቦሃይድሬት ክብልዕላዕ ክገብሩ ከምዝኽእሉ እቶም ተመራመርቲ ይገልጹ። እታ ነርስን እቲ ኣሰላፊን፡ ጸረ-ፋንጋስ መድሃኒት ምስ ተዋህቦምን ኣብ ኣመጋግባኦም ዝነበረ ካርቦሃይድሬት ምስ ተገደበን፡ እቲ ዘርእይዎ ዝነበሩ ናይ ስኽራን ዝመስል ምልክታት ምሉእ ንምሉእ ጠፊኡ። በዝሒ እቶም ኣብ ከብዲ ዝርከቡ ታህዋስያን፡ ዘይንቡር ምዃኑ ጥራይ ኣውቶ-ብሩዌሪ ሲንድሮም ኣየስዕብን። ካርቦሃይድሬት ዝበዝሖ መግቢ ምምጋብ ግን ርኡይ ኣበርክቶ ኣሎዎ። ጸገም ምሕቃቕ መግቢ ዘለዎም ሰባት እውን ብፍላይ ተቓላዕቲ እዮም። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያቱ ድማ መግቢ ከይሓቐቐ ኣብ ከስዐ ምጽንሑ ነቲ ከባቢ ኣልኮላዊ መስተ ንዘፍርዩ ረቂቅ ተህዋስያን  ብዝጥዕም መንገዲ ክቕይሮ ስለዝኽእል እዩ። ንኣልኮላዊ መስተ ትሑት ተጻዋርነት ምህላው እውን ተራ ክህልዎ ይኽእል። \"ሕክምናን ምርመራን ኣውቶ-ብሩዌሪ ሲንድሮም ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ርኡይ ምዕባለታት ኣመዝጊቡ'ዩ\" ትብል ኣብ ፓኖላ ኮሌጅ፡ ቴክሳስ ተመራማሪትን ፕረዚደንት ትካል ኢንፎርሜሽንን ሪሰርችን ኣውቶ-ብሩዌሪ ዝዀነትን ባርባራ ኮርደል። ብልክዕ ግን ኣብቶም ረቂቅ ተህዋስያን ዝፍጠር ዘይምዕሩይነት መንቀሊኡ እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኰይኑ ኣሎ። በቲ ሕማም ዝሳቐዩ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ከምዝብልዎ እንተዀይኑ፡ ብተደጋጋሚ ወይ ንነዊሕ እዋን ጸረ-ነፍሳት መድሃኒት ምጥቃም ረቛሒ ሓደጋ ክኸውን ከምዝኽእል ይግለጽ። ብሓፈሻ ካብ መጠን ንላዕሊ ጸረ-ነፍሳት ምጥቃም ኣብ ከብዲ ዝርከቡ ተህዋስያን ክቝጥዑ ስለዝገብር፡ እዚ ገለ ትርጕም ዝህብ ይመስል። እንተዀነ፡ ብቐጥታ ኣውቶ-ብሩዌሪ ሲንድሮም የስዕብ ድዩ ኣየስዕብን ንምርግጋጽ ተወሳኺ መጽናዕቲ የድሊ። ብብዝሒ ዘይግቡእ ዓይነት መግቢ ምምጋብ’ውን ተራ ክጻወት ይኽእል። ካብ መጠን ንላዕሊ ኣዝዮም ዝተመስርሑ መግብታት ኣብ ረቂቅ ተሕዋስያን ከብዲ ምስ ዝፍጠር ቁጥዐ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ተረጋጊጹ ኣሎ። \"እቲ ወሃቢ ኣገልግሎትን እቲ ሕሙምን መድሃኒት ክጥቀሙ ይወስኑ ኣይወሰኑ፡ ዓቢ ኣካል ናይቲ ሕክምና ትሑት ካርቦሃይድሬት ዘለዎ ኣመጋግባ ክኸውን ከምዘለዎ'ውን ንፈልጥ ኢና\" ትብል ባርባራ ኮርደል። እዞም ታህዋስያን ኣብ ቅልል ዝበለ ኣሲዳዊ ኵነታት ብዝበለጸ ከምዝዓብዩን ዝያዳ ኣልኮል ከም ዘፍርዩን ይፍለጥ። ኮርዴል ካልኦት ጠንቅታት እውን ክህልዉ ከምዝኽእሉ ትኣምን። \"ከም ቀመማት\/ኬሚካላት፡ ብከላ፡ ጸቕጢን ስንባደን ዝኣመሰሉ ኣመጋግባ ዝድርኹ ነገራትን ግዳማዊ መበገሲታትን ኣብ ምፍራይ ኣልኮላዊ መስተ ተራ ከምዘለዎም ብዙሕ ፈሊጥና ኣሎና\" ትብል። ብክኢላታት ኣመጋግባ ዝምራሕ ጽኑዕ ኣመጋግባ ብምኽታል፡ ምስ ጸረ-ፈንገስ ሕክምናታትን ማልቲ-ቪታሚናትን ተደሚሩ፡ ካርሰን ሕማሙ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ንኽኣቱ ኣኽኢልዎ እዩ። \"ብቐጻሊ 'ደሓን ድየ፡ ደሓን ድየ?' እብል። ቅሩብ ድኻም ክስምዓኒ ከሎ፡ ናይ ትንፋስ መርመራ ኣልኮል ንገብር\" ይብል። ካርሰን ብዛዕባ ኵነታቱ፡ ከምኡ'ውን ጠንቁ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝያዳ ስለ ዝፈለጠ ግን፡ ንሱን በዓልቲ ቤቱን ኣብ መጻኢ ከምዚ ዓይነት ነገር ከጋጥሞ ዘሎ ተኽእሎ ውሑድ ከምዝዀን ተስፋ ኣሎዎም።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c97gvy03j36o"} {"headline":"ኣብ 2050 እንታይ ዓይነት መግብታት ክንምገብ ንኸውን?","content":"ተመራመርቲ፡ ኣብ 2050 ኣብ ዝርዝር እንበልዖም መግብታት ክንረኽቦም እንኽእል ብብዝሒ ዘይፍለጡ ዓይነታት መግቢ ወግዓዊ ገይሮም ኣለው። ኣብ መጻኢ፡ ብልምዲ 'ፎልስ ባናና' እናተባህለ ዝጽዋዕ ተኽሊ እንሰት ቈሪስና ፍረ ተኽሊ ፓንዳነስ ክንምሳሕ ንኽእል። ኲናት ዩክረይን፡ ኣብ ውሑዳት ዓይነታት ዘራእቲ ጥራይ ምምርኳስ ሓደገኛ ምዃኑ ኣርእዩና'ሎ። 90 ሚእታዊት ካሎሪ ካብ ዘራእቲ ከም ዝርከብ ሰብ ሞያ ሮያል ቦታኒ ጋርደንስ - ለንደን ይገልጹ። ብኻልእ ወገን፡ ክሊማዊ ለውጢ፡ ኣብ ዓለም ምንካይ ምህርቲ ዘራእትን ናህሪ ዋጋታትን ብምስዓብ ከቢድ 'ቅልውላው መግቢ' ከጋጥም ምኽንያት ይኸውን ኣሎ። ስለዚ፡ እቲ እንምገቦ ብዓይነቱ ዝተፈላለየ ክኸውን ምግባር ጥምየት ንምውጋድ፣ ምጥፋእ ህይወታዊ ብዙሕነት ንምቕራፍን ክሊማዊ ለውጢ ንምልማድን ዝሕግዝ ሓደ መፍትሒ እዩ ክብል፡ ተመራማሪ ሮያል ቦታኒ ዶክተር ሳም ፒሪኖን ተዛሪቡ። \"ኣብ ዓለም ብዙሓት ክብልዑ ዝኽእሉን ዝተፈላለዩ ህዝብታት ዝበልዑዎምን ዓይነታት መግቢ ከም ዘለው ንፈልጥ ኢና። በዚ ኸኣ እቶም ንዓለም ዝገጥምዋ ዘለው ግድላት ምብዳህ ዝከኣለሉ መፍትሒ ክመጽእ ይኽእል'ዩ፡\" ኢሉ። ካብቶም ክብልዑ ዝኽእሉ ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕ ዓይነታት መግቢ፡ እቶም 417 ጥራይ'ዮም ብብዝሒ ዝፈርዩን ንመግብነት ዘገልግሉን። እዚ፡ ካብ ደሴታት ፓስፊክ ክሳብ ፊሊፒንስ ኣብ ከባቢታት ገምገም ባሕሪ ዝፈሪ ተኽሊ እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል ደቡብ ምብራቕ ኤስያ፡ ቆጽሊ እዚ ተኽሊ ጣዕሚ ዘለዎም መግቢታት ንምስራሕን ንምምቃርን የገልግል። እቲ ንኣናናስ ዝመስል፡ ፍረኡ ድማ፡ ብጥርኡ ወይ'ውን ኣብሲልካ ክብላዕ ዝኽእል'ዩ። እዚ ተኽሊ፡ ደርቂ፡ ሓያል ንፋስን ጨዋም ካፋን ዝኣመሰሉ ኣዝዮም ኣጸገምቲ ኵነታት ክጻወር ይኽእል። ተመራማሪት ሮያል ቦታኒ ዶክተር ማርያበል ሶቶ ጐመዝ፡ \"እዚ፡ ክሊማ ዝጻወርን ሃናጺ ትሕዝቶ ዘለዎን ጥዑምን መግቢ'ዩ። ኣብ መላእ ዓለም፡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ኣጸጋሚ ኵነታት ክዓቢ ዝኽእል ተኽሊ'ዩ፡\" ኢላ። ባልደንጓ ወይ ጥረታት፡ ኣብ መጻኢ ኣገዳሲ ዓይነት መግቢ ክዀነና ዝኽእል እዩ። ቀዳማይ ነገር ዋጋኡ ሕሱር'ዩ፣ ኣብ ርእሲኡ ልዑል ትሕዝቶ ፕሮቲንን ቫይታሚናት ቢን'ውን ኣለዎ። ኣብ ዓለም 20 ሽሕ ዓሌታት ኣእካል ጥረ ኣለው፤ ግን ካብዚ እቲ ውሑድ ኢና ንጥቀም ዘለና። ተመራመርቲ፡ ሕጂ'ውን ገና ዘይፈለጥናዮም ኣማኢት ዓይነታት ኣለው ይብሉ። ሞራማ ቢንስ፡ [ዓይነት ባልደንጓ]፡ ኣብ ዝበዝሑ ከባቢታት ቦትስዋና፡ ናሚቢያን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝርከብ ዓይነት ኰይኑ፡ ምስ ዕፉን ክበስል ዝኽእል፣ ኣጥሒንካ ንገዓት ወይ ዝስተ ኮካ መሳሊ መስተ ንምስራሕ ዝኸውንን እዩ። ኵሎም ኣእካል ጥረ ግን ዝብልዑ ስለ ዘይኮኑ፡ ተመራመርቲ ኣየኖት ዓይነታት ብዝሓሸ መገዲ ንመግቢ ክውዕሉ ይኽእሉ ኣብ ዝብል የጽንዑ ኣለው። ካብ ሳዕረ-ማዕሪ ዝርከቡ ኣእካል፡ ልዕሊ 10 ሽሕ ዓሌታት ኰይኖም ንመጻኢ መግቢ ክኸውን ዝኽእል ኣማራጺታት ኣለዎም። ፎኒዮ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ብልጹግ ዝትሕዝቶኡ ዓይነት እኽሊ ኰይኑ፡ ገዓትን ዝስተ ነገራትን ንምስራሕ ይጠቅም። እዚ ብቐሊሉ ኣብ ከባቢኻ'ውን ክበቁል ዝኽእልን ደረቕ ኵነታት ኣየርን ዝጻወር እዩ። 'እንሰት' ወይ 'ፎልስ ባናና' እናተባህለ ዝጸዋዕ፡ ምስ ተኽሊ በናና ኣዝዩ ዝመሳሰለን ምትእስሳር ዘለዎ ተኽሊን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተወሰነ ከባቢታት ደቡብ ጥራይ ንመግቢ የገልግል። እቲ በናና ዝመስል ቅርጺ ዘለዎ እንሰት፡ ፍረኡ ዝብላዕ'ኳ እንተዘይኮነ፡ ብካርቦሃይድረይት ዝበልጸገ ከምዝዀነ'ዩ ዝንገረሉ። ሰራውርን ጉንድን'ቲ ተኽሊ ገዓትን ሕብስትን ንምስራሕ ይጠቅም። መጽናዕታት ድማ፡ እዚ ተኽሊ ኣብ እዋን ሓደጋ ልዕሊ 100 ሚሊዮን ሰባት ክቕልብ ይኽእል፡ ይብሉ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61540230"} {"headline":"ላይበርያ፡ ኣብያት ማእሰርቲ ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ እሱራት ምቕባል ኣብየን","content":"ኣብ ላይበርያ ዝርከባ ኩለን እተን 15 ኣብያተ ማእሰርቲ ኣብዚ ሰሙን ሕጽረት መግቢ ከምዘጋጠመን ተገሊጹ። ብሰንኪ እዚ ክልተ ኣብ ርእሰ ከተማ ሞንሮቭያ ዝርከባ ኣብያተ ማእሰርቲ: ሓደሽቲ እሱራት ከምዘይቕበላ ሰብ መዚ እተን ኣብያተ ማእሰርቲ ብወግዒ ሓቢሮም ኣለዉ። እቲ ምኽንያት ኮይኑ ዝቐርብ ዘሎ ብዙሕ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ግን ንኣብያት ማእሰርቲ ንመግቢ እሱራትን ንመሳለጥያን ዝውሃበን ዝነበረ ምወላ ደው ብምባሉ እዩ ተባሂሉ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። እንተኾነ ላዕለዋይ ዳይረክተር ኣብያት ማእሰርትታት ላይበርያ ሰይንለሰ ክዋይዳ ብሰኑይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ መንግስቲ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ኩሉ ዝክኣሎ ይገብር ምህላዉ ገሊጹ ነይሩ። እቲ ሓላፊ፡ ደሕሪ ዝተገበረ ምዝርራብ እተን እሰራት ምቕባል ኣብየን ዝነበራ ኣብያት ማእሰርቲ እሱራት ክቕበላ ከምዝተሰማማዓን ንኹለን ኣብያት ማእሰርቲ መግቢ እሱራት ክዕደለን ከምዝጀመረን ኣብሪሁ። ሓደ ሓላዊ እሱራት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ እሱራት ምቕባል ከምዝኣበዩ ብምሕባር፡ ብሰንኪ ጥምየት ሕርቓን ዘለዎም እሱራት ኣብያት ማእሰርቲ ሰይሮም ከይሃድሙ ስግኣት ከምዘለዎም'ውን ገሊጹ። ሓደ ኣብ ሞንሮቭያ ንእሱራት ብወለንትኡ ወትሩ ስሩሕ መግቢ ብምቕራብ ዝፍለጥ ብዓል ጸጋ፡ ሕጂ'ውን ብዝተዓጸጻፈ ንእሱራት መግቢ ኣብ ምቕራብ ይነጥፍ ምህላዉ ይግለጽ። ብዙሓት ሓለውቲ እሱራትን ምምሕዳር እተን ኣብያት ማእሰርትን፡ መንግስቲ ኣብ ኣተሓሕዛ እተን ኣብያተ ማእሰርቲ ሸለልትነት የርኢ ምህላዉ'ዮም ዝነቕፍዎ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59891245"} {"headline":"ቆልዓ 7 መዓልቲ ዝርከቦም ተመዛበልቲ ህጻናት ብሰንኪ ቀዝሒ ህይወቶም ሓሊፉ","content":"ኣብ ሰሜን ምዕራብ ሶርያ ብዝወቐዐ በረድ ዝሓዘለ ዝናብ ስዒቡ ብሰንኪ ዘጋጠመ ከቢድ ቀዝሒ ኣብ መዓስክር ተመዛበልቲ ዝነበሩ ህጻናት ህይወቶም ሓሊፉ። ሓደ ሓላፊ ወድብ ሕቡራት ሃገራት ንኤኤፍፒ ከምዝሓበሮ፡ ብሰንኪ እቲ ዛሕሊ ህይወቶም ዝሓለፉ ህጻናት ወዲ ሸውዓተ መዓልቲን ወዲ ክልተ ወርሒን ይርከብዎም። ኢድሊብ ኣብ ዝተብሃለት ግዝኣት ኣስታት 2.8 ሚልዮን ሶርያውያን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ተዓቂቦም ይርከቡ። ዝበዝሑ ድማ ሙቐት ዝህቡ ክዳውንትን መሞቒ ማሺንን ኣብ ዘይብሎም ዝኣረጉ መጽለሊ እዮም ዝነብሩ። ካብታ ንዓሰርተ ዓመታት ብዝዘለቐ ኲናት ሓድሕድ ትሕመስ ዘላ ሶርያ ዝተመዛበሉ፡ ካብ ካልእ እዋን ብዝኸፍኣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ሕቡራት ሃገራት ኣተሓሳሲቡ። ኣብ ሶርያ ዝተርአየ ቁጠባዊ ቅልውላው፡ ኣብ ሓደ ዓመት ጥራሕ ዋጋ ምግቢ ተንከፍ ነገራት ብዕጽፊ ክውስኽ ምኽንያት ከምዝኾነ እቲ ውድብ ወሲኹ ሓቢሩ። ብዘይካ ሞት እቶም ክልተ ዕሸላት፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን’ውን ኣሌፖ ኣብ ዝተብሃለ ግዝኣት ኣብ ዝርከብ መዓስከር ተመዛበልቲ፡ ካብ ዝውለድ ሓደ ወርሒ ዝገበረ ህጻን ብሰንኪ ከቢድ ዛሕሊ ከምዝሞተ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝቕመጥ፡ ገባሪ ሰናይ ሶርያ ኣፍሊጡ። ካልእ ዕሸል ድማ፡ ኣብቲ ይነብረሉ ዝነበረ መጽለሊ ተኣኪቡ ዝነበረ በረድ ምስ ፈረሰ ህይወቱ ሓሊፉ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝብሎ፡ ኢድሊብን ኣሌፖን ኣብ ዝበሃሉ ግዝኣታት ዝርከቡ 287 መጽለሊታት ብዛሕሊ፣ ብውሕጅን ሓያል ንፋስን ተጠቒዖም ኣለዉ። በዚ ምኽንያት ድማ፡ ልዕሊ 935 ግዝያዊ መጽለሊ ዳሳት ዓንዮም ተባሂሉ። ኣብ ሶርያ ዳይሬክር ድሕነት ህጻናት [ሴቭ ዘቺልድረን- ውድብ ሕቡራት ሃገራት] ሶኒዓ ካሁሽ “ህጻናት ብሰንኪ ዛሕሊ ህይወቶም ንሓደጋ ክቃልዕ ኣይምተገበአን” ኢላ። እታ ዳይሬክተር፡ በቲ ቅድሚ 11 ዓመት ዝተወለዐ ቅልውላው ምኽንያት ዝሳቐዩ ዘለዉ ህጻናት ብማሕበረሰብ ዓለም ዕሽሽ ዝተብሃሉ ይመስል ክትብል’ውን ገሊጻ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60227303"} {"headline":"ህንዲ - ቫራናሲ፡ ፈጺማ ስጋ ዘይተቕርብ ከተማ","content":"ኣብ ዓለም ንብዙሕ ዓመታት ቅድስቲ ከተማ ተባሂላ እትፍለጥ መንፈሳዊት ከተማ ህንዲ፡ ናብ ጠቕሊላ ኣሕምልቲ ጥራይ ዝምገቡ ሰባት ዝነብሩላ ስለ ዝተሰጋገረት ብዙሓት ሃይማኖታዊ ጉዕዞ ዝገብሩ በጻሕቲ ትስሕብ ኣላ። ቫራናሲ ትብሃል። ኣብ ዓለም ካብቶም ጥንታዊ ዝብሃሉ ከተማታት ሓንቲ'ያ። ካብ 1800 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ጀሚራ ከምዝተደኮነት ዝንገረላ ቫራናሲ በቶም 1.2 ቢልዮን ዝኾኑ ተኸተልቲ እምነት ሂንዱ ከም ሓንቲ ካብ ቅዱሳት ቦታታት ዓለም ትቑጸር። መዓልታዊ፡ ድምጺ ኣብ ኣብያተ እምነት ዝቃጭል ደወል ጥራሕ ኢኻ ትሰምዕ። ዓሰርታት ኣሽሓት ናብታ ከተማ ዝመጽኡ ምእመናን ድማ 88 ደረጃታት እታ ከተማ ወሪዶም ሓጢኣቶም ክሓጽቡ [ካብ ሓጢኣቶም ክነጽሁ] ጋንገስ ናብ ዝብሃል ሩባ ይኣትው። ይኹን'ምበር፡ ምኽንያት መብዛሕትኦም ናብታ ከተማ ዝጉዓዙ ሰባት ዝተፈላለየ እዩ። እቲ ቦታ ፍሉይን ሃይማኖታውን ስለ ዝኾነ ጽዋ ሞትና ኣብኡ ክንቕበል ወይ'ውን ነፍስና ብንስሓ ክንሓጽብ ኢሎም ካብ ዝጉዓዙ ሰባት ወጻኢ: ኣብታ ከተማ ዘሎ ፍሉይ ናይ ኣሕምልቲ መግቢ ክበልዑ ጥራይ ኢሎም ዝኸዱ'ውን ኣለው። መብዛሕትኦም ነበርቲ ከተማ ቫራናሲ ኣምለኽቲ ሺቫ'ዮም። ሺቫ ስጋ ዘይበልዕ ኣሕምልቲ ጥራይ ዝምገብ ኣምላኽ ምዃኑ ሰዓብቱ ይኣምኑ። ካብዚ ብዝብገስ፡ ከም ራኬሽ ጊሪ ዝበሉ ነበርቲ እታ ከተማ ካብ ኣሕምልቲ ወጻኢ ካልእ ኣይምገቡን። ነዚ ጥቡቕ መምርሒ'ዮም ዝኽተሉ። \"ኣነን ስድራይን ንወለዶታት ተመገብቲ ኣሕምልቲ ኢና። እንቋቑሖ ኣብ ዝብልዖ ገዛ'ውን ማይ ኣይንሰትን\" ይብል። ቫራናሲ መንፈሳዊት ከተማ ህንዲ ክትኸውን ትኽእል'ያ፤ እንተኾነ በቲ ሃረር ዘብል ክሸና ግን ብዙሕ ኣይትፍለጥን። መብዛሕትኦም ንመግቢ ኢሎም ዝጉዓዙ ሰባት ቅድሚ ናብታ ከተማ ምኻዶም ኣብ ከተማታት ዴልሂ፣ ካልካታን ቼናይን ናብ ዝርከቡ ስጋን መስተን ዝቐርበሎም ማእከላት እዮም ዝኸዱ። ኣብዚ እዋን ድማ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ከሸንቲ ምድላው መግቢ ነቲ ከተማ ቫራሳኒ ዘለዋ ሓድጊ መግቢ ኣሕምልቲ ብምውሳድ ኣብ ሬስቶራንታት ክሰርሑዎም ጀሚሮም ኣለው። ካብ 2011 ክሳብ 2016 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ብጽቡቕ ክሽና መግቢ ደረጃ 'ሚቸሊን ስታር' ዝብል ሽልማት ዝወሰደ ሼፍ ቪካስ ክሃና \"ኣብ ማንሃተን ንከዳልዎ ዝክኣለኒ ገይረ'የ፤ ግሩም ጣዕሚ ኣለዎ\" ይብል። ክልተ ግዜ ሽልማት 'ሚቸሊን ስታር' ዝወሰደ ሼፍ ኣቱል ኮቻር ብወገኑ ኣብ ለንደን ዝርከብ ሬስቶራንቱ ቤናረስ [ከተማ ቫራናሲ ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢንግሊዝ ዝነበረ ሽማ] ክብል ሰይሙዎ። ንሱ፡ ምድላው እቲ ኣዝዩ ፍሉይ ጣዕሚ ዘለዎ መግቢ ኣሕምልቲ እዛ ከተማ ዝምልከት መጽሓፍ ጽሒፉ'ዩ። ንኣብነት፡ ካብ ስጋ ወጻእ ዝኾነ ፓንኬን ብኸመይ ከም ዝዳሎን ኣሰራርሓ ሰላጣ ኮሚደረን ዝምልከት ቐሪቦም ኣለው። 80 ሚኢታዊት ህዝባ ተኸታሊ ሂንዱ፣ 20 ሚኢታዊት ድማ ኣሕምልቲ ጥራይ ዝምገብ ህዝቢ ኣብ ዘለዋ ሃገር ስጋ ዘይብሎም ኣማራጺታት ብዙሓት እዮም። ናይዛ ከተማ ፍሉይ ዝገብሮ፡ እቶም ዝቐርቡ መግብታት ጽልዋ ሃይማኖታዊ ግብረ ገብነት ዘለዎም ምዃኑ'ዩ። ዝርዝር መግቢ ስታቪክ፡ ኣብ መትከላት ኣዩርቬዲክ ዝድረኽ ኮይኑ በቲ ፍጹም ስርዓት ሂንዱ ዝኾነ ኣገባባት ምምጋብ ኣሕምልቲ ዝግዛእ እዩ። መግቢ ክተዳሉ እንከለኻ፡ ቀይሕን ጻዕዳን ሽጉርቲ ምጥቃም ዝተኸልከለ'ዩ። እዚ እቶም እታዋት ቁጥዐ፣ ጭንቀት፣ ዓመጽን ካልእን ግቡእ ዘይኮኑ ባህርያት ክውስኽ ይገብሩ'ዮም ተባሂሉ ስለ ዝእመን እዩ። \"ዳርጋ ኣብ ገዛ ኩሉ ሂንዱ ስጋ ምብላዕ ኣይሕሰብን። ነብስና ነቶም ንመግቢ ክብሉ ካልኦት ዝቐትሉ ክትሳቐ እያ ዝብል እምነት ስለ ዘሎ ተመጋቢ ኣሕምልቲ ምዃን ቐዳምነት ይውሃቦ። ስጋ፣ ቀይሕን ጻዕዳን ሽጉርቲ ድማ ባህሪያዊ ለውጢ ክመጽእ ጽልዋ ስለ ዝገብሩ ሰባት ትኽክለኛ ፍርዲ ንከይህልዎም የዛብዑ'ዮም\" ይብል ቐሺ ኣብሂሼክ ሹክላ። ከም ባህሊ፡ መብዛሕትኦም ኣብያተ መግቢ ቫራሳኒ ንዜጋታት ወጻእን ኣሕምልቲ ዘይምገቡ መንፈሳዊ በጻሕቲ ሂንዱን ከምኡ'ውን ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ንዝበልዑ ነበርቲ ስጋ የቕርቡ'ዮም። ብ2019 ግን መንግስቲ ኣብ ውሽጢ 250 ሜትሮ ጩራ (ራድየስ) ኣብ መላእ ቤተ መቕደስ ቫራናሲን ታሪኻዊ ቦታታትን ስጋ ከይሽየጥን ከይብላዕን ኸልኪሉ። እዚ ድማ እተን ኣብያተ ብልዒ ካብ ኣሕምልቲ ዝዳለው መግብታት ብሰፊሑ ከዳልዋን ብዝተፈላለየ መልክዑ ክስራሕ ከም ዝኽእል ክገብራን ምትብባዕ ፈጢሩ። በዚ ኣብታ ከተማ ሽሪ ሺቫይ ዝተባህለ ሬስቶራንት እናዓበየ ይመጽኣ ሎ። ኣብ 2019 ስጋ ካብ ዝኽልከል ንድሓር ኣብታ ከተማ ብዝሒ ኣብያተ ብልዒ ስታቪክ ካብ 40 ናብ 200 ከምዝወሰኸ ነበርቲ ይገልጹ። ዝርዝር ዝዳሎ መግቢ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ዝቀያየር ኮይኑ፡ 12 ዓይነታት መግቢ ይቐርቡ። ብቐንዱ ፍረታት ሃባብ፣ ፍረታት ዕምበባ በረኻ [poppy seeds]፣ ኮሚደረ፣ ካሸውን [cashews] ኣብ ሰሜን ህንዲ ዝፈሪ ቺሮነጂ ዝተባህለ ተኽልን ይዳለው።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59385151"} {"headline":"ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብሰንኪ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ዝህቦ ዝነበረ ረዲኤት ከቋርጾ ከምዝግደድ ኣጠንቂቑ","content":"ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብሰንኪ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝህቦ ዝነበረ ረዲኤት ከቋርጾ ከምዝግደድ ኣጠንቂቑ። ብዓርቢ 14 ጥሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሰንኪ ዝቕጽል ዘሎ ወግእ ኣገዳሲ ረዲኤትን መሳለጥያታትን ናብቲ ከባቢታት ከሕልፍ ከምዘይክኣለ ሓቢሩ። \"'መግቢ የለ፡ ነዳዲ የለ፡ ገንዘብ የለ፡ ንጥፈታት ፕሮግራም ዓለም ክቋረጽ ተቓሪቡ'ሎ\" ክብል ኣጠንቂቑ። ካብ ፍርቂ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ናብ መቐለ ዝኣተዋ ናይ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ቃፍላይ መካይን ረዲኤት ከምዘየለዋ'ውን ኣብቲ መግለጺ ጠቒሱ። \"ተኸዚኑ ዝጸንሐ ብሕጽረት መግቢ ንዝሳቐዩ ህጻናትን ደቂ-ኣንስትዮን ተባሂሉ ዝተሰርሐ ዝተደረዐ መግቢ ተወዲኡ'ዩ። እቲ ዝተረፈ ናይ ፕሮግራም መግቢ ዓለም እኽሊ፡ ጥረምረን ዘይትን ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ክዕደል'ዩ\" ክብል ሓደገኛነት ናይቲ ኩናታት ገሊጹ። \"ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ንገሊኡ ካብ ዓጸቦ ንምድሓን መን ይጠሚ ክንውስን ተገዲድና ኣለና\" ክብል ዳይረክተር ናይቲ ትካል ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክል ዳንፈርድ ተዛሪቡ። እዚ ከምዚ'ሉ፡ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት ኣብ ትግራይ ብውሕዱ 108 ሰባት ብደብዳብ ነፈርቲ ከምዝተቐትሉ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ኣብቲ ብሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ከምዝተፈጸመ ዝተገልጸ ናይ ኣየር መጥቃዕቲታት ካልኦት ኣስታት 75 ሰባት ከምዝቖሰሉ ቤት ጽሕፈት ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ኣብ ምዕራብን ሰሜናዊ-ምዕራብን ትግራይ፡ ከምኡ'ውን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ቆልዑን ደቂ-ኣንስትዮን ዝርከብዎም ሰባት ግዳያት ዝገበረ ደብዳባት ከምዝተኻየዱ መሰኻኽር ዓይኒን ሰራሕተኛታትን ረዲኤትን ምሕባሮም ይዝከር። ሰብመዚ ኢትዮጵያ ግን ሓይልታቶም ንሲቪላውያን ሰባት ዒላማ ከምዘይገብሩ'ዮም ዝገልጹ። ብሰንኪ'ዚ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቕጽል ዘሎ ግጭት 9́.4 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ሰብኣዊ ናይ መግቢ ረዲኤት ኮይኖም ምህላዎም'ውን እቲ ትካል ሓቢሩ። ፕሮገራም መግቢ ዓለም ኣብ ክልል ትግራይ 2.1 ሚልዮን ሰባት፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ 650 ሽሕ ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ክልል ዓፋር ን534 ሽሕ ሰባት ናይ መግቢ ረዲኤት ከብጽሕ ውጥን ከምዘለዎ ገሊጹ። \"ኩሎም ወገናት ናይቲ ግጭት ኣብ ሰሜን ኢትዮጰያ ጸጥታን ውሕስነትን ዘለዎም መተሓላለፊ ኣፍደገታት ክህልዉ ህጹጽ ውሕስነት ክህቡ የድለየና ኣሎ\" ክብል እቲ ትካል ጠሊቡ'ሎ። ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዘለዎም ቀረባት ክውዳእ ከምዝኽእል ብምጥቃስ፡ ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንምቕራብ ተወሳኺ 337 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልዮን፡ ንዝቕጽል 6 ኣዋርሕ ኣብ ክልል ሶማሊ ንዝህቦ ረዲኤት ድማ 170 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልዮ ሓቲቱ'ሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ክኣቱ ከምዘይኸልከለን ብኣንጻሩ ህወሓት ናብቲ ክልል ሰብኣዊ ረድኤት ከይኣቱ ዕንቅፋት ይኸውን ከምዘሎን ገሊጹ። ቤት ጽሕፈት ኮምኒኬሽን ፌዴራል ትማሊ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መንግስቲ በይንኣዊ ምቁራጽ ቶኵስ ኣዊጁ ሰራዊቱ ካብታ ክልል ምስ ኣውጽአ፡ ህዝቢ እታ ህልል ብዘይ ዝኾነ ዕንቅፋት ብመንግዲ ክልል ዓፋር ሰብኣዊ ረድኤት ክረክብ ጀሚሩ ምንባሩ ገሊጹ። ካብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ሓምለ 2021 ጀሚሩ መንግስቲ ምስ መሻርኽቱ ኣካላት ብምኳን ልዕሊ 10 ሽሕ ረድኤት ዝጽዓና መካይን ናብ ትግራይ ከምዝሰደደ'ውን ገሊጹ። እንተኾነ \"ህወሓት ረድኤት ጽዒነን ናብ ክልል ትግራይ ካብ ዝኣተዋ መካይን ነተን 1,010 ዓበይቲ መካይን ብምሓዝ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ወራር ንምፍጻም መጎዓዓዚ ሰራዊት ተጠቂሙለን\" ብምባል መንግስቲ ከሲሱ። ሓይልታት ትግራይ ግና እተን መካይን ንመምለሲአን ዝኸውን እኹል ነዳዲ ከይሓዛ ከምዝኣትዋ ብምግላጽ ነቲ ክሲ ይነጽግዎ። እቲ ቤት ጽሕፈት ወሲኹ ህወሓት ካብ ኮምቦልቻን ካልእን \"ኣብ ልዕሊ ናይ መንግስትን ናይ ግልን መኻዚኖታት ሰሪቑ፡ በቲ ናብ ትግራይ ረድኤት ዝኣትወሉ ኣብዓላ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ነቲ መስመር ከምዝዕጾ ገይሩ\" ብምባል ካብ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ናብ ክልል ትግራይ ረድኤት ከይኣቱ ዕንቅፋት ኮይኑ ምህላዉ ገሊጹ። ብምስዓብ ዋላ'ኳ ረድኤት ጽዒነን ናብ ትግራይ ካብ ዝኣተዋ ልዕሊ 1,000 ዘይተመለሳ መካይን እንተሃለዋ፤ መንግስቲ ካልኦት መካይን ናብቲ ክልል ረድኤት ጽዒነን ንኽኣትዋ ፍቃድ ሂቡ እዩ ብምባል፡ ረድኤት ናብቲ ክልል ከይኣቱ ዕንቅፋት ዝኸውን ዘሎ ህወሓት ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። መንግስቲ 118 ናይ ውድብ መግቢ ዓለም ዝኾና መካይን ብምሉእ ዓቕመን ናብ ክልል ትግራይ ረድኤት ከመላልሳን፡ መራሕተን ምሉእ ውሕስነት ከምዝረኽቡን ፍቓድ ምሃቡ ገሊጹ። ሓይልታት ትግራይ ግና ኣብ ልዕሊ ንብረት ህዝቢ ዝኾነ ዕንወት ከምዘይፈጸሙ ብምግላጽ ዓለምለኻዊ መርመራታት ክግበር ይሓቱ። መንግስቲ ብኹሉ ሸነኻት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ክርደና ከምዝኣወጀ ዘመልክቱ ሓለፍቲ ሓይልታት ትግራይ፡ ነዚ ንምብታክ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ክኣትዉ ከምዝተገደዱ እዮም ዝገልጹ። ሕጂ'ውን እንተኾነ ሓለፍቲ ህወሓት እቲ ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ተኣዊጁ ኣሎ ዝበልዎ ክርደና ንኽእለ ማሕበረሰብ ዓለም ጣልቃ ክኣቱ ኣብ ምሕታት እዮም ዝርከቡ። መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ወርሒ ሰነ 2021 በይንኣዊ ምቁራጽ ቶኵሲ ብምእዋጅ ካብ ክልል ትግራይ ምስ ወጽአ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብቲ ኵናት ላዕለዋይ ኢድ ብምሓዝ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምስ ኣተዉ እቲ ሰብኣዊ ረድኤት ናይ ምብጻሕ ስጉምቲ ዕንቅፋታት ከጋጥሞ ጸኒሑ'ዩ። ሕቡራት ሃገራትን፡ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤትን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዛት ዘድልዮም ሰባት ረድኤት ንኽኣቱ ኩሉ ዝክኣሎ ክገብር ክምሕጸኑ ጸኒሖም'ዮም። ውድብ ጥዕና ዓለም ብወገኑ፡ መድሃኒትን ካልእ ናውቲ ሕክምናን ናብ ትግራይ ንኸእቱ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተደጋጋሚ ሕቶ'ኳ እንተኣቕረብ ክሳብ ሕጂ ክሰልጦ ከምዘይከኣለ ኣብዚ ሰሙን ምግላጹ ዝዝከር እዩ። ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ልዕሊ 7 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ምሉእ ዘይእዉጅ እገዳ ስለዝርከብብ ኣብ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ኩነታት ከምዘሎን ገሊጹ ነይሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝቐረበሉ ክሲ ኣመልለኪቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ \"ህወሓት ንክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ዝወረረሉ ሆስፒታላትን መደበራት ጥዕናን ኣብ ዝሰረቐሉን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ክፍጽምን ክቀትልን እንከሎ\" ውድብ ጥዕና ዓለም ኣይኮነነን ኢሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምስዓብ፡ መንግስቲ ናብ ክልል ትግራይ ረድኤት ንኽበጽሕ ይጽዕር ምህላዉ ብምግላጽ፡ ማሕበረሰብ ዓለምን ካልኦት ኣካላትን፡ ነቲ ረድኤት ናብ ትግራይ ከይበጽሕ ዕንቅፋት ዝኸውን ዘሎ ህወሓት ክኹንን ጸዊዑ። ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ብዝተኻየደን ብዝካየድ ዘሎን ኵናት፡ ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ 9.4 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ኮይኖም ምህላዎም ምግላጹ ዝዝከር እዩ። ብዘይካ'ዚ ኣሽሓት ሞይቶም፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ተሰዲዶም ሚልዮናት ኸኣ ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም ከምዘወለዉ'ዩ ጸበጻባት ሕቡራት ሃገራት ዝገልጽ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59991262"} {"headline":"ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ቁጽሪ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት 9.4 ሚልዮን በጺሑ- ሕቡራት ሃገራት","content":"ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፡ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት 9.4 ሚልዮን ከምዝበጽሑ ሕቡራት ሃገራት ዕላዊ ገይሩ። ወሃቢ ቃል ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ቶምሰን ፈሪ ትማሊ ኣብ ጀኔቫ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ዝርከቡ 9.4 ሚልዮን ሰባት ሕማቕ ህይወት ይመርሑ ከምዘለዉ ገሊጹ። ካብዚኦም እቶም 80 ምኢታዊት ማለት’ውን 7.8 ሚልዮን ዝኾኑ ብሰንኪ እቲ ኵናት ረድኤት ክበጽሖም ከምዘይከኣለ እቲ ወሃቢ ቃል ተዛሪቡ። ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ቁጽሪ ህጹጽ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ኣመና ይውስኽ ከምዘሎ ዝሓበረ ቶምሰን ፈሪ፡ ኣብዚ እዋን 3.7 ሚልዮን ነበርቲ ክልል ኣምሓራ ሰብኣዊ ረድኤት የድልዮም ኢሉ። ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ትግራይን ዓፋርን ካብ ዝርከቡ ህጻናት እቶም 18 ሚኢታዊት ብዋሕዲ ዝተመጣጣነ መግቢ ዝተጠቕዑ’ዮም። ካብዚ ብተወሳኺ 50 ምኢታዊት ነብሰ ጾርን መጥበውትን ኣደታት ብዋሕዲ ዝተመጣጣነ መግቢ ከምዝተጠቕዓን በዚ ድማ ሕቡራት ሃገራት ከምዝተሻቐለ እቲ ወሃቢ ቃል ሓቢሩ። ሰብኣዊ ቅልውላው ሕቡራት ሃገራት ናይ መግቢ ረድኤት ዝጸዓና መካይን ካብ ኮምቦልቻ ናብ ደቡባዊ ትግራይ ይልእኽ ከምዘሎ ብምግላጽ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልትታት 2,200 ሜትሪክ ቶን ናይ ህይወት መድሕን መግቢ ናብ መቐለ ክበጽሕ’ዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር። ፕሮግራም መግቢ ዓለም “ኣብ ትግራይ ን2.5 ሚልዮን ሰባት ረድኤት ክዕድል እንዳተገበአኒ ዛጊድ ዘብጻሕኽዎ ረድኤት ግን ነቶም 180 ሽሕ ጥራይ’ዩ” ኢሉ። “ኣብ ኢትዮጵያ ዋላ’ኳ ኣዋጅ ጥምየት ኣይተኣወጅ ነቲ ዘሎ ኩነታት መግለጺ ቃላት የብልናን” ዝበለ እቲ ወሃቢ ቃል ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ነገር ኣዝዩ ዘሻቕል ከምዝኾነ ተዛሪቡ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብዚ ሰሙን ኣብ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ንዝርከቡ ኣስታት 10 ሽሕ ሰባት ናይ መግቢ ረድኤት ከምዘቕረበሎም ኣዘኻኺሩ። እተን ከተማታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ትግራይ ካብ ዝኣትዋ ንድሓር ንመጀመርታ እዋን ረድኤት ከምዘከፋፈለ ተገሊጹ። ኣብ ኮምቦልቻ ዝርከብ መኻዚኖ ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ 4 መዓልትታት ከምዝተዘመተ ቶምሰን ምግላጹ ዝዝከር’ዩ። ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ክሳብ ሕጂ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንኣስታት 3.2 ሚልዮን ህዝቢ ረድኤት ከምዝዓደለ እቲ ወሃቢ ቃል ኣብ መግለጺኡ ጠቒሱ። ካብዚኦም እቶም 220 ሽሕ ኣብ ክልል ኣምሓራ እቶም 124 ሽሕ ከኣ ካብ ክልል ዓፋር ከምዝኾነ ተፈሊጡ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59442654"} {"headline":"ኢትዮጵያ መምርሒ ኣመጋግባ ዕላዊ ክትገብር እያ ተባሂሉ","content":"አብ ኢትዮጵያ መምርሒ ጥዑይ ኣመጋግባ፡ ድሕሪ ሓደ ወይ ክልተ ወርሒ ዕላዊ ከምዝግበር ኣብ ኢንስቲትዩት መምርሒ ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ፡ ዳይረክተር ስርዓተ ምግብን ምርምር ስነ ምግብን ዶ\/ር ማስረሻ ተሰማ ንቢቢሲ ገሊጹ፡፡ ንሰለስተ ዓመታት ኣብ ምድላው ዝጸንሐ መምርሒ ጥዑይ ኣመጋግባ ይጠናቐቕ ከምዘሎ ዝገለጸ እቲ ዳይረክተር ብሚኒስትሪ ጥዕናን ካልኦት ሚኒስትሪታትን ከምዝተዳለወ ሓቢሩ፡፡ ኣድላይነት እቲ መምርሒ ብዝምልከት ‘‘ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ሕብረተሰብ እንታይ እየ ክበልዕ ዘለኒ? እናበለ ብዙሕ ዝተምሃረን ዘይተምሃረን ይሓትት እዩ፤ ስለዚ እዚ ብዘላቕነት ንምምላስ’’ እዩ ክብል ዶ\/ር ማስረሻ ኣረዲኡ። እቲ መምርሒ ንምድላው ‘ሰፊሕ መጽናዕቲ’ ከምዝተኻየደ እውን ሓቢሩ፡፡ ዕድሚኦም ካብ ክልተ ዓመት ንላዕሊ ንዝኾኑ ዝተዳለወ ኮይኑ፡ እንታይ ዓይነት ምግብን ኣመጋግባን ንጥዕና ከምዝሕግዝ ንምርዳእ ዝጠቅም እዩ ኢሉ፡፡ ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራውን ቁጠባውን ኩነታት ከምኡ እውን ኣብታ ሃገር ዘለዉ ባህላዊ ጸጋታት ኣብ ግምት ብምእታው ዝተዳለወ እዩ ኢሉ፡፡ ውድብ ምግብን ሕርሻን ዓለም ከምዝገልጾ፡ መምርሒታት ጥዑይ ኣመጋግባ ኣብ ሓደ ሃገር ጥዑይ ኣመጋግባን ኣገባብ መነባብሮን ንምህናጽ ዝወጹ እም፡፡ ኣብ ትሕዝቶታቶም ድማ ብመዳይ ስነ ምግቢ ጠቐምቲ ዝኾኑ ምግቢታትን ኣምጋግባን ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ዕድመ ክልል ንዝርከቡ ዜጋታቶም ብመልክዕ ምኽረ ሓሳብ ዘቕርቡሉ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ምግብን ሕርሻን ዝምልከት ዝርዝር እውን ዘካትት እዩ፡፡ ብተመሳሳሊ ጥዕና ንምድንፋዕን ሕማማት ንምክልኻልን ኣብ ዝሕግዙ ባእታታት ዝሓዙ ምግብታትን ኣመጋግባታትን ምኽረ ሓሳብ ይህቡ፡፡ ጸብጻብ እቲ ውድብ ከምዘመልክቶ ፡ ልዕሊ ሓደ ምኢቲ ሃገራት ዓለም መምርሒ ጥዑይ ኣመጋግባ ኣለወን፡፡ ኣብ ኣፍሪቃ ሸውዓተ ሃገራት እዚ መምርሒ ዘለወን ኮይነን ምስ ካልኦት ኣህጉራት እንትነጻጸር ዝተሓተ እዩ፡፡ ሃገራት ኬንያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሲሸልስ፣ ናይጄርያ፣ ቤኒን፣ ናሚብያን ሴራልዮንን መምርሒ ኣመጋግባ ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ እየን፡፡ ካብ ክልተ ወርሒ ኣብ ዝነኣሰ ግዘ መምርሒ ጥዑይ ኣመጋግባ ዕላዊ ከምእትገብር ዝገለጸት ኢትዮጵያ፡ ሻምነይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክትከውን ትጽቢት ይግበር፡፡","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60102598"} {"headline":"ኣዘውቲርና እንምገቦ እንጀራ ጣፍ ትሕዝቶኡ እንታይ እዩ?","content":"ብሳይንሳዊ መገዲ ብዙሕ አይተባህለሉን፣ እኹል መጽናዕቲ ተኻይድሉ ምባል'ውን ኣይከኣልን። እንተዀነ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መኣድና ዝውቱር እዩ - ጣይታ ጣፍ\/እንጀራ። እንጀራ ዘይብሉ መኣዲ ዝብላዕ ዘይመስሎም ብዙሓት እዮም። ብልሙድ ኣዘራርባ ሕብረተሰብና፡ ናብራኻ እትመርሓሉ ስራሕ፡ 'እንጀራይ' ኢልካ እዩ ዝግለጽ፣ ምስኡ ተኣሳሲሩ'ውን 'ብእንጀራይ ኣይትምጽኣኒ' ይበሃል እዩ። ዓበይቲ ሰባት፡ 'እንጀራኻ ሰፊሕ ይግበሮ ' ኢሎም ክምርቑ ምስማዕ'ውን ልሙድ እዩ። እዚ ዝጸንሐ ኣበሃህላታትን ኣተሓሳስባታትን 'ምበኣር፡ ኣብ መንጐ ሓበሻን እንጀራን ጥቡቕ ምትእስሳር ከምዘለዎም ዘርኢ እዩ። ቢቢሲ ኣምሓርኛ ዘዘራረቦም ሰብሞያ መግቢ፡ እንጀራ፡ ካብ ምድላው ኣትሒዙ ብዙሕ ረብሓ ከምዘለዎ የረድኡ። ዶ\/ር ቃለኣብ ባዬ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ማእከል ሳይንስ ምግብን ስነ-ምግብን፡ ተሓባባሪ ፕሮፌሰር እዩ። ቅድሚ ዓመታት፡ ጣፍ ከም ሓደ ምግቢን ንጥዕና ዘለዎ ረብሓን ብዝምልከት ሓደ መጽናዕቲ ኣዳልዩ፡ ኣብ ትካል ዓለመለኻዊ ማእከል ፖሊሲ ምግቢ ኣሕቲሙ ነይሩ። \"እንጀራ ይዅን ባዕሉ ጣፍ ዘለዎ ረብሓ እኹል መጽናዕቲ ኣይተገብረሉን፡\" ዝብል፡ ዶ\/ር ቃልኣብ፡ \"ካልእ ይትረፍ፡ ኢትዮጵያውያን ቀጠንቲ ዝዀኑሉ ምኽንያት፡ እንጀራ ስለዝበልዑ እዮም፡\"ተባሂሉ መዋዘዪ ኰይኑ ከምዝነበረ ይዝክር። እንተዀነ፡ \"ናብ ውሽጥና ተመሊስና፡ ነቲ ኣብ መዓልቲ ሓደ እንተወሓደ ግዜ እንምገቦ እንጀራ፡ ዘለዎ ረብሓ ንምፍላጥ ተበጊስና ኣለና፡\" ይብል። ጣፍ ዘለዎ ትሕዝቶ ይዅን እንጀራ - ካብ ምድላው ጀሚርካ ብዙሕ ረብሓታት ኣለዎ ኢሉ እዩ ዝኣምን። ልዕሊ 600 ዓሌታት ጣፍ እዮም ዘለው፣ ኵሎም ከኣ ብዝተፈላለዩ መጠን ዝግለጽ ንጥረ ነገር ዝሓዙ እዮም። በዚ መሰረት ጣፍ፡ ካርቦሃይድሬት፡ ኣይረን፡ ፕሮቲን፡ ልዕሊ ስርናይን ሩዝን ዝዓዘዘ ስብሒ (ፋቲ አሲድ)፡ ማዕድን፡ ካልሺየምን ፋይበርን ሓዊሱ ብዙሓት ንጥረ ነገራት ዝሓዘ ምዃኑ መጽናዕቲ እቲ ተመራማሪ የመልክት። ምስ ካልኦት ዘራእቲ እንትነጻጸር፡ መጠን ጣፍ ኣመና ንእሽቶ እዩ። መጠን ሓንቲ ፍረ ጣፍ ሓደ ሚሊ ሜትር ጥራይ እዩ። ንእሽቶ ብምዃኑ ድማ፡ እቲ ላዕለዋይ ሽፋኑ ንምእላይ ይዅን ንምፍታግ ቀሊል ኣይኰነን። እዚ ግን ካብቶም ረብሓታት ጣፍ ሓደ ክኸውን ገይርዎ፤ ብኸመይ? ዶ\/ር ቃለኣብ፡ ረብሓ ምፍታግ ኣእካል ኣይረኣዮን። ምኽንያቱ ኣእካል፡ ብዙሕ ካብ ጠቓሚ ትሕዝቶኦም ኣብ ላዕለዋይ ሽፋኖም እዩ ዝርከብ። ስለዚ፡ ምፍታግ ኣእካል፡ ነዞም ጠቐምቲ ነገራት ምእላይ ማለት እዩ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዲላ፡ መምህር ስነ-ምግብን ሳይንስ ምግብን፡ ዶ\/ር ይሁኔ ኣየለ፡ \"እኽሊ ምፍታግ ጥርሑ ምውጻእ ማለት እዩ፡\" ኢሉ እዩ ዝኣምን። የግዳስ፡ ጣፍ 'ፈቲግና ጥራሕካ ክነውጽኣካ፡' እንተዝበሃል'ውን እሺ ዝብል ኣይኰነን። ክልቲኦም ተመራመርቲ፡ ጣፍ ኣብ ላዕለዋይ ሽፋን ፋይበር ምሓዙ ጥራይ ዘይኰነ፡ ካብ ምንኣሱ ዝተልዓለ፡ ኣብ ሓንቲ ፍረ ጣፍ ዘሎ ትሕዝቶ ፋይበር ብዙሕ ምዃኑ ክልቲኦም የረጋግጹ። ጣፍ እንጀራ ዀይኑ ቅድሚ ምስንካቱ፡ ዝሓልፎ ከይዲ ንባዕሉ ኣዝዩ ጠቓሚ ከምዝዀነ፡ ዶ\/ር ይሁኔ ኣየለ ይዛረብ። ንሱ ከምዝብሎ፡ ትሕዝቶ ኣይረን ጣፍ ክብርክት ዝገብሮ ሓደ ምኽንያት፡ ኣብ ዓውዲ ዝኽየደሉ መገዲ እዩ። \"ጣፍ መካናይዝድ እንተጌርናዮ፡ ጣፍነቱ ከብቅዕ ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ልዕሊ 50 ሚእታዊት ትሕዝቶ ኣይረን ክጠፍእ ስለዝኽእል። ብኸብቲ ክኽየድ እንከሎ፡ ፍረ ንእሽቶ ስለዝዀነ፡ ካብ መሬት ኣይረን ይስሕብ፡\" ኣብ ርእሲ ምባል፡ እቲ ዝስንከተሉ መጎጎ ድማ ተወሳኺ ኣይረን ዝርኽበሉ መገዲ ከምዘዀነ ተዛሪቡ። እንጀራ ቅድሚ ምስንካቱ፡ ክሳብ ሰለስተ መዓልቲ፡ ተለዊሱን ቦዂዑን ዝጸንሕ ሕሩጭ ጣፍ፡ እቲ ዝሓልፎ ከይዲ ንባዕሉ ንጥዕና ኣዝዩ ዝሰማማዕ ክኸውን ይገብሮ። ሕሩጭ ጣፍ እንክበኵዕ፡ ዝተወሰነ ክፍሉ ናብ ኣሲድነት እዩ ዝቕየር፣ 'ኣሲድ ኢልካ ጥዕና ዘለዎ ምግቢ ኣሎ ድዩ?' ኢልኩም ትሓቱ ትዀኑ። ዶ\/ር ቃለኣብ፡ ኣብ እዋን ምብኳዕ (Fermentation) ዝፍጠር ኣሲድ ኣብ ከይዲ ዝፍጠሩ ጐዳእቲ ባክተርያታት ናይ ምርባሕ ዕድሎም ብምንካይ፡ እንጀራ ጥዕና ዝመልኦን ድሕነቱ ዝተሓለወን ክኸውን ይገብር። እቲ ከይዲ ቫይታሚን ሒዙ ክፍጠር ድማ ይገብር። ዶ\/ር ቃለኣብ፡ እዚ ከይዲ ምብኳዕ ካብቲ ንሳቶም ዘጽንዕዎ ንላዕሊ ረብሓ ክህልዎ ከምዝኽእል ይግምት። ከምኡ'ውን፡ ምስ ካልእ ምግቢ ጠቕሊልና ኣብ ኣፍ እንትኣቱ፡ ምግቢ ቅድሚ ናብ ጨጓራ ምኻዱ ብደንቢ ተሓይኹ፣ ሓቒቑን ደኺሙን ስለዝወርድ ካልእ ዘይተዘርበሉ ረብሐ ከምዝኾነ ዶ\/ር ይሁኔ ይዛረብ። ንስርናይ ሓዊሱ፡ ዝተፈላለዩ ምግብታት ዝሕዝዎ 'ግሎቲን' ዝተባህለ ጠንቂ ጕድለት ጥዕና ዝዀነ ንጥረ ነገር ኣሎ። ግሎቲን፡ ኣብ ሰባት ሕማም መዓንጣ፡ ጸላም ከብዲ፡ ድርቀትን ካልእ ምቾት ዝኸልእን ጕድለት ጥዕና ዘስዕብ እዩ። ብፍላይ ኣብ ሃገራት ኖርዲክ ዝነብሩ ሰባት በዞም ሕማማት ክሳቐዩ ይርኣዩ። ጣፍ፡ ካብዚ ንጥረ ነገር ግሎቲን ነጻ ስለዝዀነ፡ ነዞም ሰባት ምቹእ ምግቢ ምዀነ ማለት እዩ። \"እንጀራ ብዙሕ ፋይበር ዝሓዘ እዩ። ነዚ ድማ ብሓፈሻ ንናውቲ ከብዲ ዓቢ እጃም ኣለዎ፡\" ዝብል ዶ\/ር ቃለአብ፡ ብተወሳኺ ክብደት ንምንካይን ምግቢ ንምምጥጣንን ከምዝጠቅም'ውን ተዛሪቡ። ኣብ ርእሲኡ፡ ብቕጽበት ደቒቑ ናብ ሰውነት ስለዘይበጽሕ፡ \"ምሉእ ብምሉእ ክንድምድም'ኳ እንተዘይከኣልና፡ ብሕማም ሽኮር ንዝሳቐዩ ሰባት - ምስ ካልኦት ምግቢ ብምንጽጻር - ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል እዩ፡\" ኢሉ። ከምኡ'ውን፡ ጣፍ ካብ ዋሕዲ ደም ከምዝከላኸል፡ ወሲኹ ተዛሪቡ። ክሳብ 600 ዓይነታት ጣፍ'ኳ እንተሃለዉ፡ ብልሙድ ሰለስተ ዓይነታት ጣፍ ዝተለምዱ ኰይኖም፡ ጻዕዳ፡ ቀይሕን ሰርጌንን ይበሃሉ። ካብ መንጐኦም፡ እቲ ኣዝዩ ብኣይረን ዝሃብተመ ዓይነት ጣፍ፡ ቀይሕ ጣፍ ምዃኑ፡ ዶ\/ር ቃለኣብ ይዛረብ። እንተዀነ፡ \"ኵሉ ግዜ ከምኡ ማለት ኣይኰነን፡\" ዝብል እቲ ተመራማሪ፡ \"ምስ ካልኦት ኣዝርእቲ ኣነጻጺርካ፡ ዝዀነ ዓይነት ጣፍ ዝዓዘዘ መጠን ኣይረን ኣለዎ፡\" ኢሉ። ጣፍ ብመልክዕ እንጀራ ምድላው እዩ ተለሚዱ። እንተዀነ፡ ኣብዚ እዋን ብዝተፈላለዩ መልክዓት ክዳሎ ከም ዝርአ ዶ\/ር ቃለኣብ ይዛረብ። ንኣብነት ብመልክዕ ባኒን ኮርን ፍሌክስን ናይ ምቕራብ ፈተነታት ከምዘሎ ኣረዲኡ። ብተወሳኺ ኣብቲ ንሱ ዝሰርሓሉ ክፍሊ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ፡ ጣፍ ምስ ካልእ ተሓዊሱ፡ ፓስታ ንምድላው ፈተነታት ከምዘሎን፡ ብኩኪስን ካልኦት ቀለልቲ ምግብን ክቐርብ ከምዝኽእልን'ውን ሓቢሩ። እንተዀነ ዝዀነ መስርሕ ምድላው ዝተፈላለየ ዓይነት ምግቢ፡ ንትሕዝቶ ጣፍ ከጕድል ብዝኽእል ኣገባብ ክኸውን ከምዘይግባእ ይመክር። ብተወሳኺ፡ ጣፍ ኣዝዩ ጠቓሚ ዓይነት እኽሊ'ኳ እንተዀነ፡ 'ምሉእ' ክኸውን ከምዘይክእል ብምዝኽኻር፡ ምስ ካልኦት ዓይነታት ምግቢ ኣዛኒቕካ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60568315"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ከቢድ ጥምየት ዝነብሩ ሰባት እንታይ ይብሉ?","content":"ህይወት በርሀ በዓልቲ ሓዳርን ኣዶ ሰለስተ ቆልዑትን እያ፡፡ ክልቲኦም ደቃ እንትተዕቢ ዝኾነ ዓይነት ጸገም ጥዕና ኣጋጢምዋ ኣይፈልጥን፡፡ ጓል ሓደ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ጓላ ኤደን ገብረጻድቕ ግን ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ደቂሳ ሕክምና ትከታተል ኣላ፡፡ ህይወት፡ ነታ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዓይደር ትሕከም ዘላ ጓላ ዓይኒ ዓይና እናረኣየት ብህይወት ከትርፈላ ንእትኣምኖ ኣምላኻ ትምሕጸኖ እያ ዘላ፡፡ ህጻን ኤደን ብከቢድ ጥምየት ተጠቒዓ እያ ናብ ሆስፒታል መጺኣ፡፡ ኣቶ ግደይ መረሳ፡ ነባሪ ቆላ ተምቤል ወረዳ ቀይሕ ተኽሊ ጣብያ እንዳባና እዮም። እቲ ከባቢ ከቢድ ኲናት ካብ ዝተኻየደሎም ከባቢታት ትግራይ ሓደ እዩ፡፡ እቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተኻየደን ማዕበል ኲናት ትግራይ ዝቐየረን ‘ወፍሪ ኣሉላ ኣብ ነጋ’ እውን ኣብዚ ከባቢ እዩ ተጀሚሩ፡፡ መብዛሕትኦም ነበርቲ ገጠር ከባቢኦም ገዝኦምን ንብረቶምን ገዲፎም፡ ናብረኦም ኣብ ዱርን ገደልን እዩ ነይሩ፡፡ ኣቶ ግደይ ዋላ'ኳ ኣብ ወርሒ ሰነ ናብ ገዝኦም እንተተመለሱ፡ ተምሃሪት ሻድሻይ ክፍሊ ዝኾነት ጓሎም ግን ሓሚማቶም፡፡ ‘‘ኣብ በረኻ ጸኒሕና ኣብ ወርሒ ሰነ ምስ ተመለስና ኣብ ጸገም ወዲቕና፡፡ ጓለይ ሓሚማትኒ፤ ቅድሚኡ ጥዕይቲ እያ ነይራ’’ ይብሉ፡፡ መጀመርታ ናብቲ ኣብ ከባቢኦም ዝርከብ ሕክምና'ኳ እንተወሰዱዋ መድሓኒት ግን ክርከብ ኣይተኽኣለን፡፡ ቀጺላ ኣብ ሆሰፒታል ዓብዪ ዓዲ ሕክምናዊ ናብዮት ይግበረላ ነይሩ፡፡ ዋላ'ኳ ቀንዲ ሕማማ ካብ ሕጽረት ምግቢ ዝብገስ እንተኾነ፡ ብተወሳኺ ግን ናይ ልቢ ጸገም ከም ዘለዋ ተነጊሩዎም ኣሎ፡፡ ሕጽረት ምግብን መድሓኒትን ፈተና ዝኾኖም ነበርቲ ህይወት፡ ዋላ'ኳ ጓላ ንሰሙናት ሕክምና እንተተዋህባ እቲ ዘጋጠማ ጸገም ጥዕና እንታይ ምዃኑ ከይተነግራ'ዩ ጸኒሑ፡፡ \"ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ዝመጽአ ሕማም ከም ዝኾነ ነጊሮምኒ እዮም፡፡ ኣይፈለጥኩን፤ ንሳቶም ግን ብዘለዎም ዓቕሚ ይሕግዙና ኣለዉ’’ ትብል፡፡ ብተወሳኺ ‘‘ደቅና ብጽቡቕ ኢና ነዕብዮም ኔርና፤ ናብራና ጽቡቕ ዝበሃል እዩ ነይሩ፡፡ ሕዚ ግን እንበልዖ እውን የብልናን፡፡ ጓልና ድማ በዚ ምኽንያት እያ ኣብዚ ወዲቓ\" ትብል፡፡ \"ሐዚ እውን መድሓኒት ምርካብ ኣይተኽኣለን፤ ካብ ሆስፒታል ወጻኢ ንእልሽ ኣለና’’ ዝብሉ ኣቶ ግደይ ብወገኖም መድሓኒት እንትርከብ'ውን ንምግዛእ ዓቕሚ ከም ዘይብሎም ይዛረቡ፡፡ ነባሪት ተማ መቐለ ዝኾነት ህይወት እውን ‘‘ሰሪሕና ከይንበልዕ ስራሕ ዝበሃል የለን፤ ኩሉ ተዓጽዩ። ከፍ ኢለ እየ ዝውዕል፤ በዓል ቤተይ እውን ከምኡ። እንታይ ክነብልዖም?’’ ብምባል ተደራራቢ ቁጠባውን ማህበራውን ጸገም ከም ዘጋጠሞም ትገልጽ፡፡ ብሰንኪ እቲ ካብ ዝጅመር ሓደ ዓመት መሊእዎ ዘሎ ኲናት፡ ነበርቲ እቲ ክልል ብዙሕ ሰብኣዊ ጉዳኣት በጺሕዎም እዩ፡፡ ጸብጻባት ዓለም ለኻዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝሕብርዎ፡ ሰባት ብጃምላ ተቐቲሎም እዮም፤ ነፍሰ ጾር ኣደታት ዝርከብአን ኣማኢት ደቂ ኣንስትዮ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ኮይነን እየን፤ ኣብያተ ክርስትያናትን ታሪኻዊ ቦታታትን'ውን ጉድኣት በጺሑዎም። ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝሕብርዎ ድማ ኣብቲ ክልል ልዕሊ 5.2 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባዪ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ኮይኑ ፍርቂ ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ንከቢድ ሓደጋ ጥምየት ተቓሊዑ ይርከብ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ንጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀመሉ ኣሎ’ ተባሂሉ እውን ይኽሰስ፡፡ ጥምየትን ሕጽረት መድሓኒትን ህይወት ጓላ በቲ ዝግበረላ ዘሎ ሓገዝ ሕክምና ክትድሕን እያ ዝብል ተስፋ ኣለዋ፡፡ ይኹን እምበር እቲ ሆስፒታል ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ሕጽረት መድሓኒት ከም ዘጋጠሞ ተገሊጹ እዩ፡፡ ነታ ኣብ ሆስፒታል ኮይና ጓላ እተላዕል ዘላ ህይወት ዘጨንቓ እውን ንሱ እዩ፡፡ ‘‘መድሓኒት የብልናን፤ ካብ ደገ ግዝኡ ኢሎምና፡፡ ዓቕሚ የብልናን፤ ካበይ ኣምጺእና ክንገዝኦ?’’ ትብል፡፡ ህይወት፡ ኤደን ጓላ ሓደ መዓልቲ መድሓኒት እናወሰደት ካልእ ግዜ ከይወሰደት ዛጊድ ብህይወት ከም ዘላ ትዛረብ፡፡ ሆስፒታል ዓይደር ኣብ ትግራይ እቲ ዝዓበየ ሆስፒታል ኮይኑ፡ ሰራሕተኛታቱ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ደሞዝ ከም ዘይተኸፈሉ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም እዮም፡፡ እቲ ሆስፒታል ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ንዝመጹ ተሓከምቲ ኣገልግሎት ክህብ'ኳ እንተጸንሐ ኣብዚ እዋን ግና ዝተፈላለዩ መሰረታዊ መድሓኒታትን ኣቑሑትን ከም ዝወድኡ ቢቢሲ ካብ ሰራሕተኛታት እቲ ማእከል ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ፡፡ ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ቀረባ ከም ዝሓበሮ ኣብቲ ሆስፒታል ጥራሕ ዝወሃብ ዝነበረ ሕጽበት ኩላት ብምኽንያት ሕጽረት መድሓኒት ተቛሪጹ እዩ፡፡ በዚ ምኽንያት ድማ ኣብቲ ሆስፒታል ሕጽበት ዝግበረሎም ዝነበሩ 32 ተሓከምቲ ህይወቶም ንሓደጋ ክቃላዕ ከም ዝኽእል ጠቒሱ፡፡ ኣብ ትግራይ ካብ ዝነበሩ ማእከላት ጥዕና ኣስታት 75 ሚኢታዊት ኮነ ተባሂሉ ክዓንዉ ከም ዝተገበረ ማሕበር ዶብ ኣልቦ ሓካይም (ኤምኤስኤፍ) ዝተባህለ ገባሪ ሰናይ ትካል ኣብ ወርሒ መጋቢት ምግላጹ ዝዝከር እዩ፡፡ ‘ቁርሲ ምብላዕ ገይጺ ኮይኑና’ ቅድም ከብል ኣብ ናይ ውልቀ ኮሌጅ መምህር ዝነበረ ገብረኤደን፡ ኣብዚ እዋን ስራሕ ብምፍትሑ ኣዲኡ፣ ሓዉን ሓፍቱን ሓዊሱ ኣርባዕተ ኣባላት ቤተሰቡ ንጸገም ከም ዝተቓልዑ ይዛረብ፡፡ ኣብ መቐለ ብዛዕባ ዘሎ ምኽባር ናብራ እንትገልጽ ድማ ‘‘ዕንጸይቲ እኳ ብኽባር እዩ ዝግዛእ’’ ይብል፡፡ ኣብ ባንኪ ዝነበሮ ገንዘብ ኣውጺኡ ከይጥቀም ባንኪታት ኣገልግሎት ምሃብ ስለ ዘቋረጻ ተጸጊሙ ከም ዘሎ ይዛረብ፡፡ ኣብ ሓደ ናይ ፌደራል ቤት ጽሕፈት እትሰርሕ ዝነበረት ሓፍቱ እውን ደሞዝ ካብ ዘይክፈላ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ከም ዝሓለፉ ይገልጽ፡፡ ‘‘ኣደይ እውን ገዛ ተካሪ ነይራ፤ ሐዚ ግና እቶም ተኻረይቲ ክኸፍሉ ስለ ዘይክእሉ (ገንዘብ) ተቐቢላቶም ኣይትፈልጥን’’ ዝብል ገብረኤደን ንህይወት ኣድለይቲ ዝኾኑ ነገራት ዋግኦም ዓሪጉ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣይርከቡን እውን ኢሉ፡፡ ‘‘ብዘይ በርበረን ዘይትን ዝተሰርሐ ጸብሒ ምብላዕ ካብ እንጅምር ልዕሊ ክልተ ወርሒ ጌርና፡፡ ቁርሲ ምብላዕ እውን ከም ገይጺ ኢና ንርእዮ’’ ይብል፡፡ መብዛሕትኡ እዋን እውን ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዘ ጥራሕ ከም ዝምገቡ ይገልጽ፡፡ ብተወሳኺ ኣዲኡን ሓዉን ብሰንኪ ዘለዎም ሕዱር ሕማም ዝወስዱዎ ዝነበሩ መድሓኒት ስለ ዘቋረጹ፡ ኣብ ከቢድ ጸገም ጥዕና ምውዳቖም የሻቕሎ፡፡ ‘‘እቲ ናትና ናብራ እቲ ዝሓሸ ዝበሃል እዩ፤ ናይ ብዙሕ ሰብ ናብራ ካብዚ ዝገደደ እዩ፡፡ ብዙሕ ሰብ ኣብ መንገዲ ኢዱ ንልመና ዘርጊሑ ኢኻ እትረኽቦ፡፡ እቲ ኩነታት በዚ እንተቐጺሉ ብዙሕ ሰብ ብጥምየትን ሕጽረት መድሓኒትን ክሃልቕ ይኽእል እዩ’’ ይብል፡፡ ዋላ'ኳ ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ መላእ እታ ሃገር ናህሪ ዋጋ ዕዳጋ ዓብዪ እንተኾነ፡ ኣብ ትግራይ ግን ሓሙሽተ ሽዱሽተ ዕጽፊ ከም ዝኾነ እዩ ዝግለጽ፡፡ ዋጋ ሓደ ኪሎ በርበረ 800 ብር፣ ዋጋ ሓደ ኪሎ ሽሮ 180፣ ዋጋ ሓደ ኩንታል ጣፍ ክሳብ ሸውዓተ ሽሕ፣ ዋጋ ሓደ ሊትሮ ዘይቲ 250 ከም ዝበጸሐ ቢቢሲ ካብቲ ከባቢ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት፡፡ ፍትሓዊ ሕሩይ ኣብ ኣመሪካ ዝነብር መንእሰይ እዩ፡፡ ቅድም ክብል ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ንዝተጸገሙ ብ‘ጎ ፈንድሚ’ ሓገዝ ብምትእኽሓብ ይፍለጥ ነይሩ፡፡ ብተመሳሳሊ ኣብዚ እዋን እውን ነቲ ሰናይ ተግባር ናይ ምስራሕ ድልየት'ኳ እንተሃለዎ እቶም ቅድሚ ሕዚ ዝሕግዞም ዝነበሩ ሰባት፣ ከምኡ እውን ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዝነብሩ ቤተሰቡን ኣዝማዱን ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ዘለዉዎ ኩነታት ክፈልጥ ኣይከኣለን፡፡ ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ስልክን ባንክን ካብ ዝቋረጽ ኣርባዕተ ወርሒ ስለ ዝገበረ \"ብፍላይ ቀጻሊ መድሓኒት ዘድልዮም ኣዝማደይ ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዝርከቡ ኣይፈልጥን፤ ብህይወት ይሃልዉ ኣይሃልዉ እውን ኣይፈልጥን’’ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዝልሓመ ኲናት ሓይልታት ትግራይ ንብዙሕ ከባቢታት ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ በይናዊ ምቁራጽ ተኹሲ ኣዊጁ ካብ ከተማ መቐለ ምስ ወጽአ፡ መልክዕ እቲ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ዝተጀመረ ኲናት ተቐዪሩ እዩ፡፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብቲ ክልል እንትወጽእ፡ እዋን ክረምቲ ስለ ዝኾነ ሓረስቶት ተረጋጊዖም ክሓርሱ ኢለ እየ ዝብል ምኽንያት ኣቕሪቡ ነይሩ፡፡ ኮይኑ ግና እቲ ጎንጺ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ተስፋሕፊሑ፡፡ ነዚ ስዒቡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ኣስታት 7 ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሓገዝ ምግቢ ከም ዘድልዮ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ እዩ፡፡ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ድማ ከም ብሓድሽ ተፈናቒሎም እዮም፡፡ ገለ ትካላት እቲ ኲናት ምስ ተወለዐ ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ ከምቲ ኣብ 1977 ዓ.ም ዘጋጠመ ዓይነት ጥምየት ከጋጥም ከም ዝኽእል ስግኣቶም ገሊጾም ነይሮም፡፡ ኣብ ቤልጅየም ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ገንት ምስ መቐለ ዩኒቨርሲቲ ብምትሕብባር ኣብ ዘዳለዉዎ ‘Ploughing in the Tigray War’ ዝብል ብካርታ ቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ መጽናዕቲ፡ ምስ ዝሓለፉ ዓመታት እንትነጻጸር ኣብ ገለ ከባቢታት ዘይተሓረሰ መሬት ይረኣይ ነይሩ ኢሎም፡፡ መብዛሕትኦም ሓረስቶት ንብረቶምን ኣዝርእቶምን ከም ዝተቓጸለን ከምኡ ድማ ከብቶም ከም ዝተሓረዱን ጥራይ ኢዶም ከም ዝተረፉን እቲ መጽናዕቲ ይሕብር፡፡ ወርሒ ሰነ መብዘሕተኦም ሓረስቶት ናብ ግራቶም ከይዶም ክሓርሱ ይግበኦም ነይሩ፡፡ ብፍላይ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ወተሃደራት ኤርትራ ሰባት ከይሓርሱ ይኽልክሉዎም ከም ዝነበሩ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሓረስቶት ገሊጾም ነይሮም፡፡ መንግስቲ ኤርትራ ግን ነቲ ክሲ ምንጻጉ ይዝከር፡፡ ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፈ ተምሃራይ ሳልሳይ ዲግሪ እምነት ነጋሽ ከም ዝገልጾ፡ እቶም ሓረስቶት ዝተፈላለዩ ጸገማት እኳ እንተጋጥሙዎም፡ ናይ ባዕልቶም ባህላዊ ፍልጠትን ሜላን ተጠቒሞም እቲ ናይ ክረምቲ እዋን ከየምልጦም ንምሕራስ ፈቲኖም እዮም ኢሉ፡፡ እቶም ሓረስቶት ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ ድኹዕን መሩጽ ዘርእን ከም ዘይረኸቡ እውን ንቢቢሲ ሓቢሩ፡፡ እቲ ኩናት ምስ ተወለዐ መብዛሕትኡ መንእሰይ ናብ ኲናት ከም ዝወፈረ ዝገልጽ እምነት፡ በዚ ምኽንያት ካብ 20 – 30 ምኢታዊት ዝሕረስ መሬት እዋኑ ሓሊፍዎ እዩ ክብል የረድእ፡፡ ንሱ ከም ዝሕብሮ ሎም ዘበን ብሓፈሻ ካብ 20 ክሳብ 50 ሚኢታዊት ምህርቲ ክሕፈስ እዩ ትጽቢት ዝግበር፡፡ ዝበዝሕ እቲ ዘይተሓረሰ መሬት ኣብ ምዕራብ ትግራይ ከም ዝርከብ ዝሓበረ እቲ መጻናዕቲ ብፍላይ ኣብ ገማግም ተከዘ ዝነበረ ስራሕቲ መስኖ ሙሉእ ብዝበሃል ደረጃ ከም ዝተቛረጸ ኣረጋጊጹ፡፡ ኣብዚ እዋን ምዕራብ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ፣ ሚልሻታትን ወታሃደራት ኢትዮጵያን እዩ ዝርከብ፡፡ ምላሽ ማሕበረሰብ ዓለም መንግስታት ዓለም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ መንገድታት ሰብኣዊ ሓገዝ ሙሉእ ብሙሉእ ክፋት ክገብር ክጽውዑ እዮም ዝስምዑ፡፡ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘመልክቶ፡ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ናብ ትግራይ መዓልታዊ 100 ረድኤት ዝጸዓና መካይን ክኣትዋ እኳ እንተወሰነ፡ ዛጊድ ግን 10 ሚኢታዊት ጥራሕ እዩ ምሕላፍ ተኻኢሉ፡፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት እንድሕር ዘይተመሓይሹ ኣብ ኩሎም ተሳተፍቲ እቲ ጎንጺ ማዕቀብ ክግበር ዘኽእል ትእዛዝ ፈሪሙ እዩ፡፡ ብኻልእ ወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ እታ ሃገር ኢዶም ኣእትዮም ዝበሎም ሸውዓተ ላዕለዎት ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምብራሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ስጉምቲ ከይዲ ምሃብ ሓገዝ ከም ዘተዓናቕፍ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣፍሊጡ እዩ፡፡ ቀረብ ሓገዝ እንድሕር ዘይተመሓይሹ ኣብቲ ክልል ዘሎ ኩነታት እናተጋደደ ክኸይድ ከምዝኽእል እውን እቲ ዋና ጸሓፊ ኣጠንቂቑ እዩ፡፡ ብተወሳኺ \"ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ሕዚ እንወስዶ ስጉምቲ ኣብ ናይ ብዙሓት ሰባት ህይወት ዓብዪ ለውጢ ዝፈጥር እዩ’’ ክብል ተዛሪቡ፡፡ ሓላፊ ዓለም ለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ በቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ቁጽሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝደልዩ ሰባት መዓልታዊ እናወሰኸ እዩ፡፡ ‘‘ኣብቲ ኲናት ተሳተፍቲ ንዝኾኑ ኣካላት እቲ መልእኽቲ ተመሳሳሊ እዩ፡፡ ነቲ ጸገም ቅልጡፍ ፖለቲካዊ ምፍትሒ ምሃብ ካብቲ ጎንጺ ከውጸአና እዩ’’ ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ፡፡ ምክትል ሓላፊት ኤጀንሲ ትሕብብር ልምዓት ኣመሪካ ሳራ ቻርለስ ብወገና ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ብዘይ ዝኾነ ገደብ ክሓልፋን ቁጽሪ ሰብኣዊ በረራ ክውስኽን ሓቲታ እያ፡፡ በረራ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ቀረባ እዋን ምቁራጹ ዝዝከር እዩ፡፡ ‘‘ነዳዲ፣ ገንዘብን መድሓኒትን ንኣዋርሕ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምእጋዱ ምኽንያት፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝህቡ ትካላት ዝህብዎ ሓገዝ ክቕንሱ ተገዲዶም እዮም፡፡ ሆስፒታላትን ትካላት ጥዕናን መድሓኒት ወዲኦም እዮም’’ ኢላ፡፡","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59142920"} {"headline":"ኮፕ-26፡ ኣብ ክሊማዊ ለውጢ ጽልዋ ዝፈጥሩ ሓሙሽተ ኣደነቕቲ ነገራት","content":"ኣብ ዓለምና ዘጋጥም ዘሎ ወሰኽ መጠን ዋዒ ክንክዩ ዝኽእሉ ነገራት ንፈልጦም ኢና። ካብዚኦም ጉዕዞ ነፈርቲ ምንካይ፣ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ምትካእ ከምኡ'ውን ኣብ ኣሕምልቲ ዝተሞርኮሰ ዓይነት ኣመጋግባ ክህልወና ምግባር ዝብሉ ይጥቀሱ። ግን ክኣ፡ ክሳብ ሕጂ ዘየስተብሃልናሎም ካልኦት ነገራት ኣለው። ንሎሚ፡ ክሊማዊ ለውጢ ንምክልኻል ኣቓልቦ ክትገብሩሎም ዝግብኡ ሓሙሽተ ነገራት ክንሕብረኩም ሓሪና። ልዕሊ ፍርቂ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ሩዝ ከም ዝምገብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። እንተኾነ፡ እዚ ኣብ ኣብ ምፍራዩ ኣጸጋሚ ዝኾነ ምህርቲ እዩ። ሓደ፡ እዚ ምህርቲ ንክባጽሕ ልዑል መጠን ማይ ዝጠልብ ኾይኑ፡ እዚ ኣብ ሓመድ ብዝፈጥሮ ራሕሲ 'ሚተይን' ዝተበሃለ ጋዝ ዘምጽኡ ተሃዋስያን ክፈርዩ ምኽንያት ይኸውን። ሚተይን፡ ካብ ካርበን ዳይኦክሳይድ ንላዕሊ ልቀት ጋዛት ግሪን ሃውስ ዘስዕብ ባእታ እዩ። ሕርሻ ሩዝ፡ ካብ ሓደ ክሳብ ክልተ ሚኢታዊት ልቀት ወዲ ሰብ ዝፈጥሮም ጋዛት ግሪን ሃውስ ዝሕዝ ኮይኑ፡ ናብ ከባቢ ኣየር ኣብ ዝልቀቕ ካርበን ዳይኦክሳይድ'ውን ናይ ባዕሉ ተራ ይጻወት። ተመራመርቲ፡ ኣብ መላእ ዓለም ሕርሻ ሩዝ ንዓለማዊ ዋዒ ዘለዎ ጽልዋ ዝንክዩ ዝተፈላለዩ ዓሌታት ሩዝ ንምምዕባል ይሰርሑ ኣለው። 2. ኣለሻታት ኢንተርነት ዝኾነት ኣብ ኢንተርነት እንገብራ ኣለሻ፡ ውሑድ ግራማት ልቀት ካርበን ዳይኦክሳይድ ትፈጥር። እዚ ብምኽንያት እቲ ላፕቶፕ ወይ ኮምፒዩተር ንክሰርሑ ዝወስዱዎ ጽዓትን ገመድ ኣልቦ 'ኔትዎርክታት' ንክንቀሳቐሱ ብዝጠልብዎ ጽዓትን ዝፍጠር እዩ። ንኡሽቶ ይመስል፤ እንተኾነ 4.66 ቢሊዮን ህዝቢ ዓለም ተጠቃሚ ኢንተርነት እዩ። ኣብ ዓለም፡ መዓልታዊ ሓደ ቢሊየን ሰዓታት ናይ ዩትዩብ ቪድዮታት ይጽዓኑ። ነዞም ቪድዮታት ዝውዝዕ ጎግል ድማ፡ እዞም ቪድዮታት ኣብ ዝርኣይሉ ሰዓት ልቀት ካርበን ስለ ዘስዕቡ እቶም ሰርቨራት ዘንቀሳቕስ ጽዓት ብተሓዳሲ ጽዓት ክትክእ ይሰርሕ ኣሎ። ዩኒቨርሲቲ ብሪስቶል ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ብ2016 ዩትዩብ ዝርኣዩ ሰባት 11.13 ሚሊየን ቶን ዝጽጋዕ ልቀት ካርበን ዳይኦክሳይድ ኣስዒቦም'ዮም ይብል። እዚ፡ ማዕረ ክንዲ ከተማ ግላስኮው [ሕጂ ኣኼባ ክሊማዊ ለውጢ ዝተጋብአላ ከተማ] እተፍርዮ ጋዛት ግሪን ሃውስ ምዃኑ ክኢላታት ይገልጹ። ሓጽቢታት ንምፍጣር መሬት ብውሑጅ ክትዕልቕለቕ እንከላ ተፈጥሮኣውያን ኣግራብን ካልኦት ተፈጥሮኣዊ ነገራትን ክብስብሱን ሚቴን ክፈጥሩን ይጅምሩ። ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ቫንኮቨር፡ ሓጽቢታት ዓመታዊ ኣስታት 1.3 ሚኢታዊት ሰብ ሰርሖ ልቀት ጋዛት ግሪን ሃውስ ከም ዘስዕቡ ይገልጹ። እዚ ማዕረ ካናዳ እትፈጥሮ ልቀት ጋዛት ግሪን ሃውስ እዩ። ይኹን'ምበር፡ መብዛሕትኦም ሓጽቢታት ምንጪ ግድባት ሃይድሮ ኤሌክትሪክ እዮም። እዚኦም ኸኣ ቀንዲ ምንጪ ተሓዳሲ ጽዓትን ትሑት ካርበን ኤሌክትሪክ ይኾኑ። 4. 'ቺዝ' ቺዝ፡ ኣብ ኢንዳስትሪ ስጋን ውጽኢት ጸባን ኣብ ዓለም ሳልሳይ እቲ ዝዓበየ ልቀት ጋዛት ግሪን ሃውስ ዘስዕብ ፍርያት እዩ እንተበልናኩም ክትግረሙ ትኾኑ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኪሎ ግራም እንምገቦ ቺዝ፡ 13.5 ኪሎ ግራም ልቀት ካርበን ዳይኦክሳይድ ይወጽእ። ሓደ ኪሎ ግራም ቺዝ ንምስራሕ፡ ኣስታት 10 ሊትሮ ጸባ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል። እዚ ዓውዲ ምህርታት ጸባን ውጽኢት ጸባን ክኣ ኣስታት ኣርባዕተ ሚኢታዊት ሰብ ሰርሖ ልቀት ጋዛት ግሪን ሃውስ የፍሪ። ደቂ ኣንስትዮዮ ናብ ቤት ትምህርቲ ኸይደን ማዕረ ዕድላት ክረኽባ እንከለዋ፡ ብዝተፈላለየ መልክዑ ስትራቴጂታት ክሊማ ኣብ ምዕዋት ሓጋዚ ተራ ከም ዘለወን መጽናዕታት ይሕብሩ። ንኣብነት፡ ናይ ኻልኣይ ደረጃ ትምህርታ ዝወድአት ጓል ኣንስተይቲ ካብታ መባእታዊ ትምህርቲ ጥራይ ዝወድአት ጓል ኣንስተይቲ ብውሑድ ብሓደ ቖልዓ ዝተሓተ ውላድ ይህልዋ። መጠን ወሊድ ምንካይ ድማ ብዝሒ ህዝቢ ዝዓብየሉ መጠን ስለ ዘደናጉዮ ብዝሒ ልቀት ካርበን ዘስዕቡ ሰባት ይንኪ ኣሎ ማለት እዩ። ብተወሳኺ ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ክሊማ መሪሕ ተራ ዘለወን መራሕቲ ክኾና የተባብዕ። መጽናዕታት ከም ዝሕብሩዎ ኣብ ፓርላማ ልዑል ቑጽሪ ደቂ ኣንስትዮ ዘለወን ሃገራት ዓለምለኻዊ ስምምዓት ስነ ኸባቢ ከጽድቓ፣ ተሪር ፖሊሲታት ክሊማዊ ለውጢ ክህልወንን ኣብ ምሕዋይ ከባቢ ክሰርሓን ልዑል ተኽእሎ ኣለወን።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59146012"} {"headline":"ኲናት ዩክረይን: ዕንወት ንዓለማዊ ውሕስነት መግቢ","content":"ሓላፊ ናይቲ ኣብ ዓለም ዓበይቲ ካብ ዝበሃሉ ኩባንያታት ምፍራይ ድኹዒ ሓደ ዝዀነ ስቪየን ቶሬ ሆልሴዘር፡ ኲናት ዩክረይን ኣብ ዓለማዊ ቀረብን ዋጋን መግቢ ከቢድ ምዝባዕ ከምዘኸትል ይዛረብ። ኣብ ልዕሊ 60 ሃገራት ዝነጥፍ፡ ብያራ ኢንተርናሽናል ዝፍለጥ ኩባንያ፡ ዝበዝሕ ጥረ ግብኣቱ ካብ ሩስያ'ዩ ዘምጽእ ነይሩ። ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ፡ ኣብ ዋጋ ድኹዒ ወሰኽ ክህሉ ገይሩ'ሎ። ሓላፊ ኩባንያ ያራ፡ ስቪየን ቶሬ፡ ናህሪ ዋጋ ዝበኣሰ ደረጃ ክድይብ ከም ዝኽእል የጠንቅቕ። \"ነገራት ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ይቀያየሩ ኣለዉ፡\" ክብል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ተዛሪቡ። \"ቅድሚ እቲ ኲናት'ውን ኣብ ኣጸጋሚ ኵነታት ኢና ነይርና። ድኹዒ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዚ ወቕቲ፡ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ከጋጥም ምኽኣሉ ድማ ተወሳኺ ምትእጉጓል ኣኸቲሉ'ሎ፡\" ክብል'ውን ኣረዲኡ። ሩስያን ዩክረይንን ኣብ ዓለም ልዑል መጠን ምህርቲ ሕርሻን መግብን ካብ ዘፍርያ ሃገራት ምዃነን ይፍለጥ። ሩስያ፡ ነቶም ኣብ ምፍራይ ዓይነታት ድኹዒ ኣገደስቲ ዝበሃሉ መኣዛታት ['ኑትሪየንትስ'] ፖታሽን ፎስፌይትን ብዝለዓለ መጠን ተፍሪ ሃገር'ያ። ድኹዒ፡ ኣትክልትን ኣዝርእትን ብጽቡቕ ክበቝሉ ይሕግዙ። \"ፍርቂ ካብ ህዝቢ ዓለምና ብሓገዝ ድኹዒ ዝፈረዩ ምግብታት'ዩ ዝምገብ። ስለዚ ድኹዒ ክርከብ እንተዘይክኢሉ ቀረብ መግቢ ብ50 ሚኢታዊት'ዩ ዝንኪ፡\" ይብል ሓላፊ ኩባንያ ያራ፡ ስቪየን ቶሬ። ወሲኹ ቶሬ፡ \"ንዓይ ዘተሓሳስበኒ ዘሎ ናብ ዓለማዊ ቅልውላው መግቢ ምእታውና ዘይኰነስ፡ እቲ ቅልውላው ክሳብ ክንደይ ከቢድ ይኸውን ዝብል'ዩ፡\" ክብል ሻቕሎቱ ገሊጹ። ኣብ ከተማ ኪቭ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቶም ብሚሳይል ምስተወቐዐ፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ ኩባንያ'ውን ተጸልዩ'ሎ። እቲ ኣብ ኖርወይ ዝመደብሩ ኩባንያ፡ በቶም ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተነብሩ ማዕቀባት ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ብሰንኪ ኣብ ዓለም ዘጋጠመ ምትእጉጓል ጕዕዞ መራኽብ'ውን ከምዝተሃሰየ ይገልጽ። ስቪየን ቶሬ ምስ ቢቢሲ ቃለ-መሕትት ድሕሪ ምግባሩ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት፡ መንግስቲ ሩስያ ነተን ድኹዒ ዘፍርያ ፋብሪካታት ናብ ደገ ሰደድ ከይገብራ ኣጊዱ'ሎ። ንሱ ከምዝበሎ፡ ካብቶም ኣብ ኤውሮጳ ንመግብነት ዝውዕሉ ፍርያት ንምፍራይ ዝሕግዙ ዓይነታት ድኹዒ እቶም ርብዒ ካብ ሩስያ ዝመጽኡ'ዮም። እዚ ኵነታት ሓረስቶትን ብንእሽተይ መጠን ዘፍርዩን ናብ ዝለዓለ ወጻኢታት ክቃልዑ ከምዝገብር ተንተንቲ የጠንቅቝ። እዚ ከኣ ዋጋ መግቢ ክውስኽ ክገብር ከምዝኽእል ይሕብሩ። እዞም ድኹዒ ንምፍራይ ዘድልዩ መኣዛታት ጥራሕ ዘይኰኑስ ጉዳይ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ'ውን ካልእ ሻቕሎት ዝፈጠረ ኰይኑ'ሎ። ወሳኒ ከምዝዀነ ዝግለጽ 'ናይትሮጂን' ዓይነት ድኹዒ ንምፍራይ ዝውዕል ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ። ኩባንያ ያራ ኢንተርናሽናል፡ ነቶም ኣብ ኤውሮጳ ዝርከቡ ፋብሪካታቱ ዝኸውን ጋዝ ዝበዝሐ ካብ ሩስያ ይረክብ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንዘጋጠመ ዋጋ ጋዝ ስዒቡ ኣስታት 40 ሚእታዊት ምህርቱ ንግዚኡ ክንኪ ዝተገደደ ኰይኑ፡ ካልኦት ፋብሪካታት'ውን ብተመሳሳሊ ቀረባት ናብ ዝንክዩሉ ውሳነ ክበጽሑ ተገዲዶም ምንባሮም ይፍለጥ። ነቲ ኣብ ፍርያት ድኹዒ ዘጋጠመ ምንካይ ስዒቡ ድማ ኣብ ዋጋ መግብታት ወሰኽ ተራእዩ። ሓላፊ ኩባንያ ያራ ኢንተርናሽናል፡ ስቪየን ቶሬ፡ ዓለም፡ መግቢ ንኸተፍሪ ኣብቶም ብሩስያ ዝቐረቡ ድኹዕታት ጥራይ ክትጽጋዕ ከምዘይብላ የተሓሳስብ። ክሊማዊ ለውጥን ወሰኽ ብዝሒ ህዝብን ኣብ ቀረብ መግቢ ዓለም ጸገማት ክፈጥሩ ኣብ ዝረኣዩሉ ዘለው እዋን፡ ጉዳይ ድኹዒ ተደራቢ ስግኣት ኰይኑ ምምጽኡ ንብዙሓት ዘሻቐለ ኰይኑ'ሎ። እቲ ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ተወሊዑ ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ዓለማዊ ቀረብ መግቢ ንዘሎ ሰንሰለት ንግዲ ዝጸሉ \"መቕዘፍቲ\" ከምዝዀነ ስቪየን ቶሬ ይዛረብ። ብፍላይ ኣብተን ድኻታት ዝበሃላ ሃገራት ከቢድ ጸገም ውሕስነት መግቢ ከኸትል ከምዝኽእል ይሕብር።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60645318"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ ኲናት ረድኤት ናብታ ክልል ከቕርብ ከምዘይከኣለ ኣፍሊጡ","content":"ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብቶም ረድኤት ዝመሓላለፈሎም መስመራት ኲናት ይካየድ ብምህላዉ ናብ ትግራይ ኣብ ዝቐርብ ረድኤት ዕንቅፋት ከምዘጋጠሞ ገሊጹ። ብሰንኪ እቲ ኲናት ምስ ካልኦት ገበርቲ ሰናይ ትካላት ብምትሕብባር ናብ ትግራይ የቕርቦም ዝነበረ ከም መግብን መድሓኒትን ዝበሉ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምንካይ፣ ንምንዋሕን ንምስራዝን ከምዝተገደደ ኣብ መግለጺኡ ኣስፊሩ’ሎ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ ብሰንኪ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከምዝኾነ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት መተሓባበሪ ሰብኣዊ ሓገዛት (ኦቻ) ኣረዲኡ። “ካብ ሰመራ-ኣብዓላ-መቐለ ብዝወስድ መስመር ዝፍጸሙ ናብ ትግራይ ረድኤት ናይ ምቕራብ ስራሕቲ ብሰንኪ ኣብ ኣብዓላ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ካብ 05 ታሕሳስ 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ጀሚሩ ደው ኢሉ’ሎ” ክብል ኣብ መግለጺኡ ኣፍሊጡ። ካብ 26 ሓምለ 2013 ኣ.ግ ንደሓር ብኣብዓላ ኣቢሉ ናብ ትግራይ ዝበጽሐ ነዳዲ ከምዘየለ ዘዘኻኸረ ኦቻ፡ ብሰንኪ’ዚ ኣብ ትግራይ ቀረብ ነዳዲ ከምዘየለ ገሊጹ። ካብ 23 ታሕሳስ ክሳብ 04 ጥሪ 2014 ኣ.ግ ኣብ ዝነበረ እዋን ከኣ 10 ሽሕን 500 ሰባት ረድኤት ከምዝበጽሖምን እዚ ቁጽሪ ተሓገዝቲ ድማ ካብ መጋቢት 2013 ንደሓር እቲ ዝተሓተ ከምዝኾነን ኣመልኪቱ። ሰሙናዊ ረድኤት ክቕበሉ ዝግብኦም ሰባት ልዕሊ 80 ሽሕ ክኾኑ ከምዘለዎም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። እቶም ምስቲ ትካል ተሓባቢሮም ዝሰርሑ ትካላት ግብረ-ሰናይ ኣብዚ እዋን ዘለዎም ዕቑር (ክዙን) መግቢ ን28 ሽሕ ሰባት ጥራሕ ዝኣክል ከምዝኾነ ከምዝሓበርዎ ኣፍሊጡ’ሎ። ቅድሚ ሰሙናት ክወሃብ ዝጀመረ ክታበት ንፍዮ’ውን ዛጊት ን145 ሽሕ ህጻናት ከምዝተወሃበ ብምሕባር፡ ብዝሒ ናይቶም ክኽተቡ ዘለዎም ህጻናት 800 ሽሕ ከምዝኾነ ኣዘኻኺሩ። ሕጽረት ነዳዲን ጥረ ገንዘብን፣ መጠን ዋዒ እናተቖጻጸርካ ነቶም መድሓኒታት ምጉዕዓዝ ኣጸጋሚ ምዃኑ፡ ሕጽረት ሰብ ሞያ ጥዕናን ካልኦት ከበድቲ ብድሆታትን ተደማሚሮም ነቲ ወፍሪ ክታበት ፈተና ከምዝኾኑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። ኣብ ኣምሓራን ዓፋርን ከ? ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ግን ሰብኣዊ ረድኤት ናይ ምብጻሕ ስራሕቲ ብስፍሓት ይካየድ ምህላዉ ኦቻ ኣብ መግለጺኡ ኣመልኪቱ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክልል ኣምሓራ ጥራሕ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ረድኤት መግቢ ከምዝበጽሖም ብምሕባር፤ ልዕሊ 40 ሽሕ ሰባት ድማ መግቢ ካብ መግቢ ወጻኢ ዝኾኑ ሓገዛት ከምዝተቐበሉ ገሊጹ። ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም ካብ ዝነበሩ ሰባት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ናብ ዝነበሩሉ ቦታ ከምዝተመለሱ’ውን ኣፍሊጡ’ሎ። ኣብ ክልል ዓፋር ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ልዕሊ 47 ሽሕ ሰባት ሰብኣዊ ረድኤት ከምዝተቐበሉ ጸብጻብ ኦቻ ይሕብር። እቲ ኲናት ኣብ ዝተላብዐሎም ቦታታት ንዝነብሩ ሰባት ንምሕጋዝ 30 ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ ከምዝተዋፈረ ወሲኹ ገሊጹ። ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ከምዝተላብዐን ኣብ ኩሎም ከባብታት ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ከምዘስዓበ ይፍለጥ። በቲ 14 ኣዋርሕ ዘቑጸረ ኲናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐተሉን ብሚልዮናት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉን ይግለጽ። ኣስታት 9.4 ሚልዮን ሰባት ድማ ተጸበይቲ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዝኾኑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ ሰሙናት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ ምንባሩ ይዝከር።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60082021"} {"headline":"ኲናት ዩክረይን፡ ኲናት ሩስያ-ዩክሬን ንዋጋ ምግቢ ከምዘዕርጎ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣጠንቂቑ","content":"ሓላፊ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዴቪድ ቢስለይ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዩክረይን ንዋጋ ምግቢ ኣዝዩ ክውስኽ ከምዝገብሮን ብፍላይ ኣብ ድኻ ሃገራት ሕሱም ጽልዋ ከምዝህልዋን ኣጠንቂቑ። ዩክንን ሩስያን መሰረታውያን ምግብታት ሰደድ ብምግባር ዝፍለጣ ሃገራት’የን። እቲ ኣብዚ እዋን ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ድማ ንፍርያት ሕርሻ ከምዝጸለዎን ዋጋ ክውስኽ ከምዝገበሮን ይግለጽ። ቢስለይ ከምዝበሎ ድማ እዚ ኩነታት ብደረጃ ዓለም ብዙሓት ሰባት ኣብ ሓደጋ ጥምየት ክወድቁ ገይሩ’ሎ። ዩክረይንን ሩስያን ብዘቕርብኦ ሸቐጣት ምግቢ ምኽንያት “ናይ ኣውሮጳ ዘምቢል ሕምባሻ” ዝብል መጸውዒ ክወሃባ በቒዐን’የን። ሩስያ፡ ናብ ዕዳጋ ዓለም ካብ ዝቐርብ ስርናይ ዳርጋ ነቲ ርብዒ ከምኡ ድማ ፍርቂ ካብ ዘርእን ዘይትን ሱፍ [‘ሳንፍላወር’] ትሽፍን። ዩክሬን ብወገና ብደረጃ ዓለም ኣዝዩ ዝለዓለ ምህርቲ ዕፉን ብምቕራብ ትፍለጥ። እቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ንፍርያት እኽሊ ክጸልዎን ንዋጋ ስርናይ ብደረጃ ዓለም ዕጽፊ ከብጽሑን ከምዝኽእል ተንተንቲ ይሕብሩ። ምስ ቢቢሲ ቃለ-መሕትት ዘካየደ ሓላፊ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ቢስለይ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ቅድሚ ምፍጻማ 4 ዓመታት፡ ብዝሒ ናይቶም ብደረጃ ዓለም ንጥምየት ዝተቓልዑ ሰባት ካብ 80 ሚልዮን ናብ 276 ሚልዮን በጺሑ ምንባሩ ኣረዲኡ። ነዚ ምኽንያታት ዝበሎም ድማ “ጎንጽታት፣ ክሊማዊ ለውጥን ለበዳ ኮሮናቫይረስን” እዮም። ሊባኖስ 50 ሚኢታዊት ኣእኻል ካብ ዩክረይን ከምትወስድ ወይ ከምትረክብ ዝሓበረ እቲ ሓላፊ፡ የመን፣ ሶሪያን ቱኒዝያን እውን ኣብታ ሃገር ጽግዕተኛታት እየን ኢሉ። ሓላፊ ናይቲ ኣብ ዓለም ዓበይቲ ካብ ዝበሃሉ ኩባንያታት ምፍራይ ድኹዒ ሓደ ዝዀነ ስቪየን ቶሬ ሆልሴዘር፡ ኲናት ዩክረይን ኣብ ዓለማዊ ቀረብን ዋጋን ምግቢ ከቢድ ምዝባዕ ከምዘኸትል ይዛረብ። ኣብ ልዕሊ 60 ሃገራት ዝነጥፍ፡ ብያራ ኢንተርናሽናል ዝፍለጥ ኩባንያ፡ ዝበዝሕ ጥረ ግብኣቱ ካብ ሩስያ'ዩ ዘምጽእ ነይሩ። ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ፡ ኣብ ዋጋ ድኹዒ ወሰኽ ክህሉ ገይሩ'ሎ። ሓላፊ ኩባንያ ያራ፡ ስቪየን ቶሬ፡ ናህሪ ዋጋ ዝበኣሰ ደረጃ ክድይብ ከም ዝኽእል የጠንቅቕ። \"ፍርቂ ካብ ህዝቢ ዓለምና ብሓገዝ ድኹዒ ዝፈረዩ ምግብታት'ዩ ዝምገብ። ስለዚ ድኹዒ ክርከብ እንተዘይክኢሉ ቀረብ ምግቢ ብ50 ሚኢታዊት'ዩ ዝንኪ፡\" ይብል ሓላፊ ኩባንያ ያራ፡ ስቪየን ቶሬ። ዩክሬናዊት በዓልቲ ሞያ ሕጊ ኢቫና ዶሪቼንኮ ድማ፡ ሓረስቶት ሃገራት ማሕረስ ገዲፎም ሃገሮም ንምክልኻል ብረት ስለዘልዓሉ ኣብ ምህርቲ ሕርሻ ዝለዓለ ጽልዋ ከምዝህልዎ ንቢቢሲ ገሊጻ። “እቶም ክሰርሑ ዝኽእሉ ሰባት ንሃገርና ክከላኸሉ ወፊሮም ኣለዉ። ንመሬቶም ክከላኸሉ እንተዘይኪኢሎም ደሓር ዝሰርሕዎ ነገር ኣይክህልዎምን” ክትብል ሓቢራ። ብሰንኪ እቲ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ከኣ ዩክረይን ናብ ደቡብ ምብራቕ እስያ፣ ማእኸላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ከምኡ ድማ ናብ ከም ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዝበሉ ትካላት ግብረ-ሰናይ እተቕርቦም ሸቐጣት ዘይምህላዎም ዓብዪ ጽልዋ ከምዘኽትል እቲ በዓልቲ ሞያ ሕጊ ኣረዲኡ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60658793"} {"headline":"መግቢ፡ ንጥዕና ኣእምሮን ሕማማት ልብን ዝሕግዝ ዝንቕ መግብታት","content":"መብዛሕቴና መዓልታዊ ተመሳሳሊ መግቢ ኢና ንበልዕ። ኣብ ህይወትና ዝለመድናዮ ውሱን ዓይነታት መግቢ ስለዘለና ምርጫና ድሩት እዩ። እቲ እንዕድጎ መግቢ፡ ዋግኡ፡ ኣብ ዕዳጋ ብቐረባ ዝርከብ ብምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነ ንጥዕናና ብዝህልዎ ረብሓ እውን እናመዘንና ኢን ክንምገብ ዘሎና። ንሓፈሻዊ ኩነታት ኣመጋግባና ኣብ ግምት አእቲና እኹል መጠን መኣዛታት ንረክብ ምህላውና ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል? ተመራመርቲ ስነ መግብን ጥዕናን፡ እኹል መኣዛታት መታን ክንረክብ ከም [ፍሩታታትን ኣሕምልትን] ዝኣመሰሉ ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎም ዝኑቕ መግቢ ክንምገብ እዮም ዝመኽሩ። ስለዝኾነ ዝተፈላለዩ ሕብርታት ዘለዎም ንጥዕና ዘይጎድኡ 'ሜደተራንያትን ዳይት' ተባሂሎም ዝጽውዑ ከም ፍረታት፣ ኣሕምልቲ ከምኡ'ውን ንጥዕና ዘይጎድኡ ብዙሕ ስብሒ ዘይብሉ 'ኤክስትራ ቨርጂን ኦሊቭ ኦይል' ዝበሃል ዓይነት ዘይቲ እዮም። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፍሎረንስ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ስነ-መኣዛ ፋራንሴስኮ ሶፊ፡ መግብታት ዝተፈላለዩ ሕብርታት ምህላዎም ናይ ኣጋጣሚ ከምዘይኮነ ይዛረብ። \"ልማዳዊ ዝኾኑ 'ሜዲተራንያን ዳይትስ' ዝባሃሉ ዓይነት መግብታት ምምጋብ ነቶም ዝተፈላለዩ መኣዛታትን ካልኦት ንጥዕና ዝሕልዉ ተወሰኽቲ ነገራትን ከም ምውሳድ ማለት'ዩ\" ይብል። እቶም 'ሜደተራንያን ዳይት' (መግቢ ከባቢ ማእከላይ ባሕሪ ) ብዝብል ዝፍለጡ [ከም ፍሩታታት፣ ኣሕምልቲ ከምኡ'ውን ንጥዕና ዘይጉድኡ ስብሕታት ዝሓዙ 'ኤክስትራ ቨርጂን ኦሊቭ ኦይል'] መግብታት ጠቐምቲ ዝኾኑሉ ካልእ ተወሰኽቲ ምኽንያታት አለዉ። እቶም ኣብዚ ዝምደቡ መግብታት ዝጥበሱ ዘይኮኑስ ብማይ ዝበስሉ ምዃኖምን ንትሕዝቶኦም ምዕቃብ ዝከኣል ምዃኑ'እቲ ፕሮፌሰር ብኣብነት ይጠቅስ። ኣብ ፓርትላንድ ኦሬጎን ዩኒቨርሲቲ ዌስተርን ስቴትስ ተመራማሪት ስነ መኣዛ ዲና ሚኒች፡ ዝተፈላለየ ሕብርታት ዘለዎም መግብታት ምምጋብ ነቶም ኣገደስቲ ዝበሃሉ መኣዛታት ክንረክብ ከምዝሕግዘና ትሕብር። \"ነቶም ዝተፈላለዩ ሕብርታት ዘለዎም መግብታት ክንምገብ እንተዘይኪኢልና ንረብሓታት እቲ መግቢ ኢና ንስእን\" ትብል። ዝተፈላለየ ሕብርታት ዘለዎም ተኽልታት ዝተፈላለዩ ጥቕምታት ሒዞም ከምዝፍጠሩ እትገልጽ እታ ተመራማሪት፡ ንኣብነት ከም ብሉቤሪ ዝበሉ ሰማያዊን ወይናይን ሕብሪ ዘለዎም መግብታት ንሕማም ልብን ሕማም ሽኮር ['ታይፕ-ቱ'] ንምክልኻል ዓብዪ ረብሓ ከምዘለዎም ተረድእ። ብተመሳሳሊ ቢጫ ሕብሪ ዘለዎም ፍሩታታትን ኣሕምልትን እውን ሕማማት ልቢ ናይ ምንካይ ተኽእሎ ኣለዎም። ካብ ውሽጢ ተኽልታት ዝርከቡ ገለ ክፋላት ናብ ዝተፈላለዩ ውሽጣዊ አካላት ወዲ ሰብ ከምዝበጽሑ እትሕብር ተመራማሪት ስነ መኣዛ ዲና፡ ንኣብነት ኣብ ቢጫን ሓምለዋይን ሕብርታት ዘለዎም መግብታት ዝርከብ 'ሉቲን' ዝበሃል ንጥረ ነገር ናብቲ 'ማኩላር' ብዝብል ዝፍለጥን ንጹር ምስሊ ንምርኣይ ዝሕግዝን ዳሕረዋይ ክፋል ረቲና ዓይኒ ይበጽሕሞ ከምዘይኣርግ ይገብሮ\" ብምባል ተረድእ። 'ፍሎቭኖይድስ' ብዝብል ዝፍለጡ ካብ ፍሩታታትን ኣሕምልትን ዝርከቡ ውሁድ መኣዛታት ከኣ አብ ውሽጢ ሓንጎል ንዝፍጠርን ናብ ሕማም ረሲዕ ['ኣልዛይመር'] ዘቃልዕን ምምራዝ ብምክልኻል ጥዕና ሓንጎል ከምዝሕሎ ይገብር። ንልዕሊ 20 ዓመታት ንኣመጋግባ 50 ሽሕ ሰባት መሰረት ኣብ ዝገበረ መጽናዕቲ ሃርቫርድ ቤት ትምህርቲ ጥዕና ማሕበረሰብ ዝተሳተፈት ተመራማሪት ሺን ዬህ፡ ከም ኣራንሺ፣ በርበረ፣ ሰደኖን ወይኒን ዝኣመሰሉ መግብታት ምምጋብ፡ ንዓቕሚ ምስትውዓልና ይዕቅብ ሕማም አእምሮ ዕብደት ወይ ጽላለ ንከየጋጥመና ከምዝከላኸል ትዛረብ። ስለዝኾነ ዋላ እውን ካብዚ ሕጂ እንርከበሉ ዕድመ ነዞም መግብታት ክንወስድ ይግባእ። ዝተፈላለየ ሕብርታት ዘለዎም መግብታት ምውሳድ ነቲ ኩሉ ሳዕ ሓደ ዓይነት መግቢ ጥራሕ ብምምጋብና ክመጽእ ካብ ዝኽእል ሓደጋታት ከምዝከላኸልና ተረድእ። \"መጽናዕትታት ከምዘረጋግጾ፡ ጽማቝ ኣራንሺ ዓቕሚ ምስትውዓል (ልበታውነት ወይ ተገንዝቦኣውነት)ና ከየንቆልቁል ይሕግዘና። ግን ድማ ብዙሕ ጽማቚ ምውሳድ ምስ ታይፕ-2 ዓይነት ሕማም ሽኮር ዝተሓሓዝ ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል'ዩ\" ትብል። እዚ ክኸውን ዝኽእለሉ ምኽንያት ድማ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ትሕዝቶ ሽኮር ኣብቶም ፍሎቮናይድስ ዝበሃሉ ዓይነት ስለዘይኮነ'ዩ። ዝተፈላለዩ ሕብርታት ዘለዎም መግብታት ምምጋብ ክባሃል ከሎ ብቐንዱ ምስ ፍሩታታትን ኣሕምልትን ጥራሕ ክተሓሓዝ ይኽእል'ዩ። ሓደ መጽናዕቲ ከምዘረጋግጾ ድማ ዝተፈላለዩ ሕብርታት ዘለዎም መግብታት ዝወስዱ ሰባት ጥዕንኦም ዝሓለዉ መግብታት ናይ ምውሳድ ልምዶም ክዓቢ ተኽእሎ ኣለዎ። ብተፈጥሮ ዘይኮነስ ባዕልና ብእንፈጥሮም ሕብርታት ዝተዳለዉ ከም ኬክን ካልኦት ምቁራት ነገራት ዝኣመሰሉ መግብታት ግን ምስቶም ዝተፈላለዩ ሕብሪታት ዘለዎም እንብሎም አማራጽታት መግቢ ዝምደቡ ኣይኮኑን። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሓደ መጽናዕቲ ምርር ዝበለ ጣዕሚ ዘለዎም ዓይነት ኣሕምልቲ ን12 ሳምንቲ ከምዝምገቡ ዝተገበሩ ሰባት ጸቕጢ ደሞም ከምዝነከየን ኣብ ሰብነቶም ዘሎ መጠን ሽኮር ከምዝተስተኻኸለን ተፈሊጡ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58818110"} {"headline":"ብሰንኪ ኵናት ዩክረይን፡ ልዕሊ 40 ሚልየን ህዝቢ ዓለም ናብ ሕሱም ድኽነት ክኣቱ'ዩ- መጽናዕቲ","content":"ኣብቲ ዝሓለፈ 24 ለካቲት ሩስያ ንዩክረይን ካብ ትወርረ ጀሚሩ፡ ብብርኪ ዓለም ኣብ ዋጋታት ምግብን ፀዓትን ኣዝዩ ገዚፍ ወሰኽ ኣጋጢሙ ኣሎ። ማእከል ምርምር ኣመሪካ (Center for Global Development)፡ ምንሃር እዚ ዋጋታት ኣብ መላእ ዓለም ንልዕሊ 40 ሚልየን ሰባት ናብ \"ሕሱም ድኽነት\" ከጥሕሎም ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ። እቲ ቲንክ ታንክ ሶቭየት ሕብረት ኣብ ሕርሻዊ ንግዲ ዝነበራ ዕዙዝ ግደ ድማ ብንፁር ገሊፁ። ናብ መላእ ዓለም ካብ ዝቐርብ ስርናይ እቲ 29 ሚእታዊት ብሩስያን ዩክረይንን ዝቐርብ ነይሩ። ሩስያን ቤላሩስን ናብ ዓለም ዱኽዒ ካብ ሞንጎ ዘቕርባ ሽድሽተ ሃገራት እየን። እዞም ዝረኣዩ ዘለዉ ነውፅታት ንኩሉ ዓለም ከምዝሃስይ ዝሓበረ እቲ ቲንክ ታንክ፡ ድኻታት ሃገራት ግና ዝያዳ በዚ ነውፂ ከምዝውቅዓ ኣጠንቂቑ። ሰብሞያ ሲጂዴ፡ ንሃገራት ጉጅለ 20 ሓዊሱ ኣፍረይቲ እኽሊ ዝኾና ሃገራት ብዘይ ማዕቐብ ዕዳጋታተን ክኸፍታ፡ መንግስታትን ዓለምለኸ ትካላትን ድማ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዛት \"ብቅልጣፈን ብርህራሀን\" ክነጥፉ ተማሕፂኑ። ቅድም ክብል ሓላፊ ውድብ ምግቢ ዓለም ዴቪድ ቢስለይ'ውን፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዩክረይን ንዋጋ ምግቢ ኣዝዩ ክውስኽ ከምዝገብሮን ብፍላይ ኣብ ድኻ ሃገራት ሕሱም ፅልዋ ከምዝህልዋን ኣጠንቂቑ ነይሩ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60804971"} {"headline":"ኢትዮጵያ ስለምንታይ እያ ኣብ ስርናይ ረድኤት ወጻኢ ምጥርጣር ተርኢ ዘላ??","content":"ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ንሕማም ሓዊሱ ኣብታ ሃገር ዝኽሰቱ መብዛሕትኦም ፀገማት እታ ሃገር፡ እቲ ቀንዲ ምኽንያቶም ካብ ወፃኢ ሃገር ዝመፅእ ስርናይ እዩ ክብል ተዛሪቡ እዩ። “ስርናይ ዝበሃል ነገር ናብ ኢትዮጵያ ከይኣቱ ተጌርና፡ ሰብዓ ሚእታዊት ፀገም ኢትዮጵያ ክቕረፍ እዩ። ፀገም ኢትዮጵያ ናይ ረድኤት ስርናይ እዩ። ምስ ረድኤት ስርናይ ብዙሕ መዘዝ እዩ ዝመፅእ። ንሱ እንተገዲፍና ዝበዝሕ ፀገምና እዩ ዝቕረፍ ” ክብል ተዛሪቡ። ንምዃኑ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣቱ ስርናይ ምስ ሕማማትን ካልኦት ፀገማት ኢትዮጵያን ምዝማዱ ትኽክል ድዩ? ኣብ ኢትዮጵያ እናወሰኸ ዝመፅእ ዘሎ ናይ ስርናይ ፅግዕተኝት ስርናይ ኣብ ኢትዮጵያ ቀንዲ ዘርኢ ኮይኑ ኣይፈልጥን፤ እንተኾነ ካብ ቀረባ ዓመታት ንነጆ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማታት ተፈታውነት እናረኸበ መፂኡ። ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን፡ ዋላ’ኳ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዝርከባ ሃገራት ዝለዓለ መጠን ስርናይ ተፍርይ እንተኾነት ምስ ዘሎ ጠለብ እንክነፃፀር ግና ክመጣጠን ኣይከኣለን። እታ ሃገር ኣብዚ እዋን ሚልየናት ረድኤት ምግቢ ዝፅበዩላ፣ ሕፅረት ምግብን ድርቅን ዘለዋ እያ። ኣብታ ሃገር ዘጋጥም ዘሎ ሕፅረት ንምምላእን ንረድኤትን ስርናይ ካብ ወፃኢ ናብታ ሃገር ይኣቱ። ዝበዝሕ ስርናይ ድማ ካብ ኣሜሪካ እዩ ዝመፅእ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ንሓረስቶት ኣብ ዘዘራረበሉ እዋን፡ ብሰንኪ ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ስርናይ ሕማማት ይመፅኡ ከምለዉ ተዛሪቡ’ዩ። ንሓረስቶት ኢትዮጵያ ብልዑል ኩነታት ካብ ሞንጎ ዝፍትኑ ናይ ስርናይ ሕማማት ንፋስ ተሸኪሙ ዘምፅኦ ፈንገስ (ዕሳው) እዩ። ንኣብነት ኣብ 2010 ዝተኸሰተ ለበዳ 30 ሚእታዊት ዝኾነ ናይ ሕርሻ መሬት ክጎድእ እንከሎ፡ ልዕሊ 15 ሚእታዊት ምህርቲ ከምዝንኪ ጌሩ። ኣብ 2013 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ’ውን፡ ሓድሽ ዓሌት ሕማም ስርናይ (ፈንገስ) ቅድሚ ሕዚ ዲጋሉ ብዝብል ዝፍለጥ ሕማም ተፃዋሪ ንዝኾነ ስርናይ ብምጥቃዕ ሰፊሕ ክሳራ ኣውሪዱ’ዩ። ኣብ 2017 ዝተሓተመ ሓደ ምፅናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ እዚ ፍሉይ ዓሌት ፈንገስ፣ ካብ የመን ናብ ኢትዮጵያ ብንፋስ ከምዝመፅአ ይእመን። እንተኾነ ካብ ካልኦት ሃገራት ምብራቕን ማእኸላይን ኣፍሪቃ ዝመፅአ’ውን ክኾን ይኽእል። ኣብ ኢንተርናሽናል ሴንተር ፎር ኣግሪካልቸራል ሪሰርች ኢን ዘ ድራይ ኤሪያስ (ኣይካርዳ)፡ ኣብ ምህርቲ ስርናይ በዓልሞያ ዝኾነ ኣይተ ውለታው ታደሰ ደጉ፡ ብርግፀኝነት ሕማም ዝራእትን ባልዓትን፡ ካብ ወፃኢ ወይ ካብ ወፃኢ ብዝኣትዉ ዝራእቲ ናብ ውሽጢ ሃገር ክኣቱ ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ኣለዎ። “ኣብዚ እዋን ኣብታ ሃገር ዝላብዑ ካብ ዘለዉ ባልዓትን ፃህያያትን፡ እቶም ዝበዝሑ፡ ካብ ወፃኢ እዮም ኣትዮም ዝብሉ ቅረታታት ኔሮም” ይብል። “ሩባታትናን ቃላያትናን፣ ናይ ሕርሻ መሬታትናን መግሃጫታትናን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕዚ ብዘይነበረ ኩነታት ብተላባዒ ፃህያይ ኣብ ስግኣት ኣለዉ” ብምባል የረድእ። ብደረጃ ዓለም፡ ካብ ወፃኢ ኣብ ዝኣትዉ ምህርትታት ሕማም ዝተላብዐሎም ኣጋጣምታት ኣለዉ። ሓደ ኣብነት ንምልዓል፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብሓደ ትካል ንግዲ ኣቢሉ ካብ ደቡብ ኣሜሪካ ናብ ባንግላዴሽን ዛምቢያን ዝሰገረ ‘ዊት ብላስት’ ዝተብሃለ ሕማም እዩ። እዚ ሕማም ብዘርኢ እዩ ዝመሓለለፍ። ናይ ስርናይ ፈንገስ ብንፋስ ኣቢሉ ስለዝመሓላለፍ፡ ዝበዝሕ ግዜ ሓደሽቲ ዓሌት ኣይመፁን። ኣብ ከባቢ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ገሊኦም ናይ ስርናይ ፈንገሳት ካብ ካልኦት ከባብታት ከምዝመፅኡ ከምዘርእይ ኩሉ፡ ገሊኦም ዓሌታት ምስ ግዜ ተቐያይሮም ሓድሽ ባህሪ ከምዘምፅኡ ዘርእይ ሓበሬታ ኣሎ። ወሃቢት ቃል ዓለምለኻዊ ኤጀንሲ ምትሕብባር ልምዓት ኣሜሪካ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ “ረድኤት ምግቢ ኣሜሪካ፡ ኩሎም ዓለምለኸ ረቛሕታት ንምምላእ ስጡም ቁፅፅር ፅሬት ይግበረሉ እዩ” ኢላ። ከምኡ’ውን መምርሕታት ድሕነነት ምግብን ፅሬትን ብዘኽበረ መልክዑ’ዩ ሓገዝ ዝግበር ክትብል ኣረዲኣ። ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ስርናይ ሕማም የምፅእ’ዩ ምባሉ ስዒቡ፡ ንኣፈኛ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ሓቲትናያ፡ ዘረባ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ስርናይ ብምርሓቕ፡ ጥዕንኡ ዝሓለወ ምህርቲ ውሽጢ ዓዲ ምስ ምጥቃም ዝዛመድ ከምዝኾነ ገሊፃ። “ካብ መጠን ንላዕሊ ርጉዲ፣ ከም ሕማም ሽኮር ዝኣመሰሉን ልዑል ካርቦሃይድሬት ምስ ዘለዎም ምግብታት ዝተዛመዱ’ዮም። ስለዚ ሓፈሻዊ መልእኽቱ፡ ናይ ባዕልና ኣፍራይነት ሕርሻ ብምዕባይ፡ ኣብ ምንካይ ፅግዕተኝነት ረድኤት ዘድሃበ እዩ” ኢላ። እታ ወሃቢት ቃል ዝሃበቶ ምላሽ ግና፡ መንግስቲ ካብ ወፃኢ ምስ ዝኣቱ ስርናይ ፀገም ከምዘለዎ እምበር፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምስዝፈርይ ስርናይ ከምዘይኮነ ግልፂ እዩ። ናይታ ሃገር ጠቕላላ ቀረብ ስርናይ፡ ሰለስተ ርብዒ ኣብ ውሽጢ ዓዲ እዩ ዝፈርይ። እታ ወሃቢትቃል ካብ ወፃኢ ኣብ ዝኣቱ ስርናይ ፅግዕተኛ ምዃን ደው ምባል ቀጥታዊ ሸርፊ ወፃኢ ከምዝቑጥብ ተዛሪባ። ኢትዮጵያ ካብ ወፃኢ ኣብ ዝኣቱ ስርናይ ድጎማ ብምግባር ንዓበይቲ ፋብሪካታት ሕሩጭ ተቕርብ'ያ፡ እዞም ፋብሪካታት ድማ ሓሩጭ ንሰንከትቲ ባኒ ይሸጡ። እታ ወሃቢትቃል፡ “ኣብ ረድኤት ዘሎ ፅግዕተኝነት፡ መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ከምኡ ኣፍሪቃውያን፡ ዘለዎም ሃፍቲ ብግቡእ ከይጥቀሙ ኣጊድዎም እዩ” ዝብል ቅዋም ኣለዋ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝበዝሕ ስርናይ ብውሑዳት ሓረስቶት እዩ ዝፈርይ። እንተኾነ፡ ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ፍርያት መካናይዝድ ሕርሻ ብዕፅፊ ከምዝወሰኸ ካብ መንግስቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ። ይኹን’ምበር ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ መፍራያይነት ትሑትን ምስ ዘሎ ጠለብ እንትነፃፀር ውሑድን’ዩ። ብልሙድ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ከባብታት ደጉዓ እዩ ስርናይ ዝቦቅል፤ ምስ ዝናብ ድማ ቀጥታዊ ምትእስሳር ኣለዎ። እታ ሃገር፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ልምዓት መስኖ ብምጥቃም ኣብ ከባብታት ቆላ’ውን ፍርያታ ትውስኽ ኣላ። ካብዚ ብተወሳኺ መንግስቲ እታ ሃገር ብኩታ ገጠም (ክላስተር)፣ መካናይዝድ ሕርሻ ብምብርትታዕ፣ ከም ድኹዕን ፅሬት ዘለዎ ዘርኢ ብምድጓምን ኣብ ቆላ ስርናይ ክፈርይ የተባብዕ ኣሎ። ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ ኣብ 2023 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ሙሉእ ብሙሉእ ስርናይ ካብ ወፃኢ ንምእታው ደው ንምባል ኣብ ምስራሕ ትርከብ። በዓልሞያ ኣይተ ውለታው ታደሰ ኣብዚ ጉዳይ፡ “ዘይተሓረሰን ብመስኖ ክለምዕ ዝኽእልን 500 ሽሕ ሄክታር መሬት ስለዘለና፡ ብጣዕሚ ሓቃውን ክብፃሕ ዝኽእልን ሸቶ እዩ” ኢሉ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59090257"} {"headline":"ወሰኽ ዋጋ መግቢ ኬንያ፡ ስለ ምንታይ'ዩ ዋጋ ዝንህር ዘሎ?","content":"ብዙሓት ኬንያውያን ተቖጢዖም ኣለው፤ እዚ ቑጠዐኦም ድማ ብሰፊሑ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ክዝርግሑዎ ተገዲዶም። ናብራ ኸቢሩ፤ ካብዚ ብዝብገስ ዋጋ መግቢ፣ ኤሌክትሪክን ነዳድን ሰማይ ተሰቒሉ። እቶም ዜጋታት፡ #lowerfoodprices ብዝብል ሃሽታግ መንግስቲ ኬንያ ኣብ ኩሉ ዓይነት ኣቕሓ ዝርኣይ ዘሎ ወሰኽ ዋጋ ልጓም ክገብረሉ ብዘይምኽኣሉ ህይወት መትሐዚ መጨበጢ ተሳኢኑዎ ብምባል ንመንግስቲ ይነቕፉ። ኣብ ወርሒ ጥሪ ብተኸታታሊ ኽልተ ወርሒ እቲ ዝነበረ ዝቕባበ ዋጋ ናብ 5 ሚኢታዊት ወሪዱ ነይሩ። ይኹን’ምበር ዋጋ መግቢ ከም ሕሩጽ ዕፉንን ስርናይን፣ ድንች፣ ኣሕምልትን ፍራምረን ክውስኽ እምበር ክንኪ ኣይተራእየን። እዚ ከኣ ምስ እቶት ናይቶም ትሑትን ማእኸላይን እቶት ዘለዎም ሰባት ዝመጣጠን ኣይኮነን። እቲ ብተኸታታሊ ንኽልተ ወርሒ ዝነበረ ዝቕባበ ኣብ ወርሒ ጥሪ 9 ሚኢታዊት ኮይኑ፤ እዚ ማለት ኬንያውያን ኣብ ጠረጴዛ ዘቕርቡዎ መግቢ ይጽገሙ ኣለው እዩ። ቢሮ ስታቲስቲክስ ኬንያ ናይ መግቢ ወጻኢ ድኻ ስድራቤታት ዝሽፍን 36 ሚኢታዊት ከም ዝኾነ ብምግላጽ እቲ ሸኽሚ ከቢድ ምዃኑ ይሕብር። ብዙሓት ሰባት ዝርዝር ዝዕድግዎ መግቢ ብምክፋል ዋጋ ጸባ፣ ባኒ፣ ሽኮርን ሕሩጽ ዕፉንን ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ክንደየናይ ከም ዝነሃረ ይገልጹ ኣለው። እዚ ድማ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ መግቢ ከቕርቡ ኣጸጋሚ ከም ዝኾኖም ይዛረቡ። እዚ ብደረጃ ውልቀሰብ እንትሽረፍ ኣዝዩ ኸቢድ እዩ። ቤናንዲን ሙኒራ ወርሓዊ ባጀታ ከምቲ ቅድም ክብል ዝነበረ እኹል ኣስቤዛ ስለ ዘይሽፍነላ ኣብ ገዝኣ መግቢ ምቕራብ ከም ዝተጸገመት ካብ ሞንጎ ዝዛረቡ እያ። “ዋጋ ሸቐጣት ኣዝዩ ንሂሩ፤ ፈጺሙ ክንጻወሮ ኣይንኽእልን። ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ዋጋ ናይ ስሊንደር ጋዝ ካብ 5 ክሳብ 6 ዶላር ዝነበረ ሕጂ ናብ 13 ዶላር እዩ ሓፍ ኢሉ። ብ26 ዶላር ዘንቢል ሙሉእ ኣስቤዛ ይገዝእ ነይረ፤ ሕጂ ጣቋ ዘይብለን ኮይነን” ኢላ። ወሰኽ ዋጋ መነባብሮ ካብ ዘቤታውን ግዳማውያን ጽልዋታት ክብገስ ዝኽእል እዩ። ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ [ኣይኤምኤፍ] መንግስቲ ዝእክቦ እቶት ሓፍ ከብሎ ጸቕጢ ይገብረሉ ስለ ዘሎ፡ መንግስቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣቑሑት [ከም መግቢ መብሰሊ ጋዝ፣ ነዳድን መግብን] ግብሪ ወሲኹ። ንኣብነት ብርክት ንዝበሉ ዓመታት መግቢ መብሰሊ ጋዝ ቫት ኣይነበሮን፤ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2021 ግን 16 ሚኢታዊት ክውሰኾ ተገይሩ። እቲ ንዓውድታት ቱሪዝምን ሰደድ ዝጸለወ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብኽፋል ጸቕጢ ዘሕደረ ኮይኑ፡ ዋጋ መተዓዳደጊ ገንዘብ ኬንያ ሽሊንግ ጎዲሉ’ዩ። ካብ ወርሒ ሚያዚያ 2021 ጀሚሩ ብ6 ሚኢታዊት ምጉዳል ብምርኣይ ኣብ ኩሎም ካብ ወጻኢ ኣታዊ ዝኾኑ ኣቑሑ ወሰኽ ዋጋ ተራእዩ። ብተወሳኺ እቲ ለበዳ ዓለምለኻዊ ቀረባት ክተዓናቐፉ ስለ ዝገበረ ኣብ ጥቓ ዶባት ብቐሊሉ ዝርከቡ ዝነበሩ ቀረባት ምርካብ ኣጸጋሚ ክኸውን ገይሩ’ዩ። ክኢላ ግብሪ ኮዲ ኣፍሪቃ ኤልኤልፒ ኒክሂል ሂራ “ሕጂ ዋጋ መነባብሮ ካብ ቑጽጽር ወጻኢ ከም ዝኾነ ዘጠራጥር ነገር የብሉን። እዚ ድማ ብፍላይ ነቶም ኣብ መዓልታዊ እቶት ዝሙርኮሱ ሰባት ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ፤ ንሳ ከይረኸቡ ንምሸቱ ክበልዑ ኣይኽእሉን” ኢሉ። ኣብ ሓጺር ግዜ መንግስቲ ኣብቶም ከም ናይ መግቢ ነዳድን መግብን ዝበሉን ኣቑሑ ዘሎ ቫት ብምጉዳል ገለ ሩፍታ ክፈጥር ይኽእል እዩ። ግን ድማ ነቲ ለውጢ ዝኸውን ሓድሽ ፖሊሲ ግብሪ ከተኣታቱ ኣለዎ። ሚኒስትሪ ነዳዲ መስርሕ ድጎማ መሰረት ብምግባር ንተጠቀምቲ ከለላ ንምሃብ መንግስቲ ንኣቕረብቲ ነዳዲ ካሕሳ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ክኸፍል ዘኽእል መደብ የዳሉ ኣሎ። ሚኒስትሪ ኢነርጂ ብወገኑ ካብ ወርሒ ታሕሳስ 2021 ጀሚሩ ኣብ ዋጋ ጸዓት 30 ሚኢታዊት ምንካይ ገይሩ’ዩ። እቲ ሕጂ ተራእዩ ዘሎ ጉዳይ ወሰኽ ዋጋ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝካየድ መረጻ ዓብዪ ተራ ክህልዎ እዩ። እቲ ንፕሬዝደንት ኡህሩ ኬንያታ ክትክኦ’ዩ ዝብሃል ምኽትል ፕሬዝደንት ዊልያም ሩቶ ውሕስነት መግቢ ከረጋግጽ ይመጻባዕ እዩ ዘሎ። “ኣብ ሕርሻ እኹል ገንዘብ ከነውፍር ኢና፣ እኹል መግቢ ከነፍሪ፣ ዋጋ ዘራእትን ድኹዕን ከነጉድል ኢና፤ ኣብ ኬንያ ዋጋ መነባብሮ ንምሕሳርን ኩሉ ኬንያዊ መግቢ ክረክብን’ውን ዋጋ መግቢ ከነጉድል ኢና” ክብል ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዝነበሮ ጎስጓስ ተዛሪቡ። ቀንዲ ተነሓናሒኡ ራይዳ ኦዲንጋ ድማ ንኣስታት ክልተ ሚሊዮን ስራሕ ስኡናትን ዓቕሚ ዘይብሎምን ማእከል ዝገበረ ፕሮግራም ማሕበራዊ ሓለዋ ከተኣታቱ እየ ይብል። በዚ ነፍሲወከፍ ወርሓዊ 55 ዶላር ይረክብ። ይኹን’ምበር ኬንያውያን ብ2013 ፕሬዝደንት ኬንያታ’ውን ጎስጓስ ምረጹኒ ክጅምር እንከሎ ተመሳሳሊ ቃል ኣትዩ ምንባሩ ክዝንግዑዎ የብሎምን። “ድኽነትን ሽቕለት ኣልቦነትን ሕጂ’ውን ንሃገርና ቖሪኖምዋ ኣለው። እዚኦም ተስፋ ሚሊዮናት ይሰርቁ ኣለው። 70 ሚኢታዊት መንእሰይ ኬንያ ስራሕ የብሉን። ነዚኦም ስራሕ ክንፈጥረሎም ኣለና፤ ስራሕ ክረኽቡ ምግባር ድማ ናተይ ቀዳምነት’ዩ” ኢሉ ነይሩ። ባንኪ ዓለም ቑጠባ እታ ሃገር ኣብ 2022 ብ5 ሚኢታዊት ከም ዝዓቢ ይግምት። ይኹን’ምበር ቑጽሪ ብዘየገድስ ኬንያውያን እቲ መጺኡ ዝብሃል ዕብየት ኣብ ህይወቶም ትርጉም ከምጽእ ክርእዩዎ እዮም ዝደልዩ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60489599"} {"headline":"መግቢ ብዘይ ዘይቲ ምድላው ይከኣል’ዶ? ሰብሞያ እንታይ ይብሉ?","content":"ኣብዚ ቕነ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ልዑል ወሰኽ ዋጋ ዘይቲ ኣዛራቢ ዛዕባ ኰይኑ'ሎ። እዚ ትሕዝቶ፡ ንጠንቂ ምንሃር ዋጋ ዘይቲ ኣጽኒሑ፡ 'መግቢ ብዘይ ዘይቲ ምብሳል ይከኣል'ዶ?' ንዝብል ሕቶ ክድህስስ እዩ። ዶክተር ይሁኔ ኣየለ ኣብ ኢትዮጵያ - ዩኒቨርሲቲ ዲላ - ተመራማሪ ሳይንስ መግብን መኣዛን እዩ። ንሱ ከም ዝብሎ ዘይቲ ኣብ ኣመጋግባ ከም ልምዲ ስለዝውሰድ እምበር እንተ ተረፈ እዩ ዝሓይሽ። ነቲ ኣብዚ ቕነ ኣጋጢሙ ዘሎ ወሰኽ ዋጋ ድማ ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ይገልጾ። ንኣገልግሎትን ረብሓን ዘይቲ መሰረት ብምግባር'ዩ ከምዚ ይብል። ንመግቢ ዝውዕል ዓይነት ዘይቲ ካብ ስያመኡ እንተጀሚርና 'ኩኪንግ ኦይል' [\"Cooking oil\"] ብዝብል ይፍለጥ። እዚ ድማ ዘይቲ ከም መብሰሊ ወይ መቕለዊ መግቢ ከምዝዀነ እዩ ዘመልክት። ዶክተር ይሁኔ ከምዝብሎ፡ ኣብዚ እዋን ዘይቲ ንመስርሒ መግቢ መሰረታዊ ንጥረ-ነገር ጌርካ ናይ ምውሳድ መረዳእታ እዩ ዘሎ። እዚ ከኣ ብፍላይ ኣብ ከተማታት ብብዝሒ ይርአ እዩ። ቅድሚ ነዊሕ ዘመናት፡ ዘይቲ፡ ልክዕ ከምዚ ናይ ሎሚ ዝውቱር ከምዘይነበረ እቲ ዶክተር ይገልጽ። \"ብዙሕ ሰብ ጣዕሚ መግቢ ካብ ዘይቲ ዝምንጩ እዩ ዝመስሎ። ረብሓ ዘይቲ ግን እቲ ዝበስል ዘሎ መግቢ ብቐሊሉ ብሓዊ ከይተቓጸለ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዝሓዞ ትሕዝቶ ሒዙ ክጸንሕ ምግባር'ዩ፡\" ክብል የረድእ። ብኣብነት ከቐምጥ ከሎ፡ ሓምሊ ብዘይቲ ወይ ማይ ክነብስሎ እንተፈቲንና፡ ቆጻል ሕብሩ ሒዙ ክጸንሕ፡ መኣዛኡ ከይጠፍእ፡ ረብሓ ዘለዎም ኬሚካላቱ ከይጠፍኡ ዘይቲ ዝለዓለ እጃም ኣለዎ። \"ምንጪ ጣዕሚ ናይቲ ሓምሊ ግን እቲ ዘይቲ ዘይኮነስ ባዓሉ እቲ ሓምሊ እዩ። እቲ ጣዕሚ ክመጽእ ዝኸኣለ ሃፊፎም ክወጽኡ ዝነበሮም መኣዛታት ሓምሊ ብምኽንያት እቲ ዘይቲ ተዓቂቦም ክጸንሑ ብምኽኣሎም እዩ፡\" ይብል። ተመሓላለፍቲ ብዘይኰኑ ሕማማት ጥዕና ስኢኖም ናብ ሆስፒታላት ካብ መንጎ ዝኸዱ ሰባት፡ እቶም ዝበዝሑ ቀንዲ መንቀሊ ስእነት ጥዕናኦም ምስ ምዝባዕ ስርዓተ ኣመጋግባ ከም ዝተሓሓዝ ዶክተር ይሁኔ ይዛረብ። ከም ሽኮር፡ ጨው፡ ዕሹጋት መግብታት፡ እንዳ ፒዛን በርገርን ብብዝሒ ምኽፋቶም ከም ምኽንያት ዘቐምጥ እቲ ዶክተር፡ ብፍላይ ኣጠቓቕማ ዘይቲ ካብ ዓቐኑ ዝሓለፈ እንተዀይኑ ኣብ ምዝባዕ ጥዕና ዝለዓለ ብጽሒት ከም ዝወስድ የቐምጥ። ዘይቲ ብምንታይ ክትካእ ይኽእል? ተመሓላለፍቲ ዘይኰኑ ሕማማት ቀንዲ መንቀሊኦም ወሃቢ ሓይሊ ዝዀነ መግቢ ምብዛሕ ['ካሎሪ ኢንቴክ'] ከምዝዀነ ዝሕብር እቲ ዶከተር፡ ኵነታት ኣነባብራና ድማ ብዙሕ ምንቅስቓስ ዘይንገብረሉ እናዀነ ምምጽኡ ይገልጽ። ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይንገብር እንተዄንና ከኣ እቲ ሓይሊ ዝህብ መግቢ ናብ ስብሒ ይቕየር። ነዚ ቀንዲ መንቀሊኡ ድማ ዘይትን ጮማን እዩ። ስለዚ፡ ዘይቲ ኣብዚሕኻ ምጥቃም ሕማምካ ከም ዝበዝሕ ምግባር'ዩ ዝቝጸር ይብል ዶክተር ይሁኔ። ግን ከኣ ዘይቲ ብመጠኑ ምጥቃም ንሰብነትና ኣድላዪ ከምዝዀነ ኣዘኻኺሩ'ሎ። ብፍላይ ንቘልዑ ረብሓ ከምዘለዎ ይገልጽ። \"ሰብነትና ከዳልዎም ዘይከኣሉ ኣገደስቲ ዝዀኑ ኣሲድ ዘለዎም መግብታት ኣለዉ። ብፍላይ ንቘልዑ ዝዀኑ። ነዚኦም ግን ካብ ዓሳን ፀባን ምትካእ ይከኣል'ዩ፡\" ይብል። ገለ ዓይነታት ቫይታሚን ካብ ቅብኣት ዝምንጭዉ ስለዝዀኑ ብቕብኣት ከምዝሓቁ ዝጠቅስ እቲ ዶክተር፡ ብዝተወሰነ መጠን ዘይቲ ዘድልየሉ ሓደ ምኽንያት ምዃኑ የቐምጥ። እቲ ኣብ መብዛሕትና ዝረአ ኣጠቓቕማ ዘይቲ ግን ግጉይ ከምዝዀነ ይሕብር። ነዚ ዝበለሉ ምኽንያት ክዝርዝር ከሎ፡ \"ኣብ መጠን ዘይቲ ገደብ ዘይምግባር፣ ኣብ ኵሎም ዓይነታት መግቢ ዘይቲ ብዘይመጠን ምጥቃም፣ ሓደ ጊዜ ዝተጠቐምካሉ ዘይቲ ደጋጊምካ ምጥቃም፡\" ይብል። \"ንኣብነት ቦምቦሊኖ ንምስራሕ እንጥቀመሉ ዘይቲ ሓደ እዩ [ኣፍሊሕካ እናደጋገምካ ምጥቃም]። ሽዑ እቲ ዘይቲ ናብ 'ትራንስ ፋት' (ጐዳኢ ስብሒ) ይቕየር። እዚ ከኣ ንሕማም መንሽሮ የቃልዓና፡\" ክብል የረድእ። መግቢ ብዘይ ዘይቲ? ዶክተር ይሁኔ ከምዝብሎ፡ ስለዘይተለምደ እምበር፡ \"መግቢ ብዘይ ዘይቲ ምብሳል ኣይከኣልን፡\" ኣብ ዝብል መደምደምታ ምብጻሕ ልክዕ ኣይኰነን። \"ንኣብነት ድንሽ እንተወሲድና ብማይ ክነብስሎ ንኽእል ኢና። ካብኡ ድማ ብእንጣጢዕ፡ ሰሊጥ፡ ንሂጕን ካልኦት ናይ እኽሊ ቅብኣታት ብምጥቃም ነቲ ናይ ዘይቲ ድልየትና ክነማልእ ንኽእል ኢና፡\" ክብል ይዛረብ። ብፍላይ መልሓስና ሓደሽቲ ነገራት ንምልማድ ነዊሕ ጊዜ ከምዝወስደሉ'ዩ ዝሕብር። ሽሮ ብዘይ ዘይቲ ብዘይ ዘይቲ ጥዕናና ኣውሒስና ክንነብር ንኽእል ኢና፡ ይብል ዶክተር ይሁኔ። ነዚ ክነስተብህል ዘይገብሩና ምኽንያታት ግን ኣመለኻኽታናን ልምድታትናን ከምዝዀኑ የቐምጥ። ከም ኣብነት ድማ ንሽሮ የምጽእ። \"ሽሮ ብዘይ ዘይቲ ምስራሕ ይከኣል'ዩ። ሽሮ ጣዕሚ ዝህልዎ ብዘይቲ ኣይኰነን። ሽሮ ብእንጣጢዕ ምስራሕ ይከኣል'ዩ። ኣደታትና ብእንጣጢዕን ንሂጕን ሰሪሓናኦ እየን። ዝዀነ ይዅን መግቢ ብዘይ ዘይቲ ምድላው ይከኣል'ዩ፡\" ይብል። እቲ ጸገም ዝኸውን ክሳብ እንለምዶ ዝወስደልና ግዜ ጥራይ እዩ። \"ኣነ ዘይቲ እንተ ተረፈ'ውን ካብቶም ቈጭቈጭ ዘይብሎም ሰባት እየ፡\" ክብል ድማ ሓሳቡ ይዛዘም።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60672969"} {"headline":"ክብደት ንምንካይ ብፈሳሲ ዝውሰዱ ምግብታት ረብሓ ይህልዎም’ዶ? ንጥዕና'ኸ?","content":"ሼን ዋርን ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ነይሩ ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈለየ። ህይወቱ ዝሓለፈሉ ምኽንያት ድማ ተፈጥሮኣዊ ከምዝኾነ ይግለጽ። እቲ ውልቀሰብ ክብደቱ ንምንካይ ብዝብል ን14 መዓልታት ብመልክዕ ፈሳሲ ዝውሰዱ ምግብታት ጥራሕ ይወስድ ነይሩ። ቅድሚ ሞቱ ኣብ ዝነበሩ መዓልታት “ናይ ወርሒ ሰነ ውጥነይ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ናብ ዝነበርኩሉ ቅርጺ ሰብነተይ ምምላስ’ዩ” ክብል ናይ ቀደም ስእሉ ብምውሳኽ ኣብ ትዊተር መልእኽቲ ጠቂዑ። ክብደት ሰብነቱ ንምንካይ ብተደጋጋሚ ይፍትን ከምዝነበረ መሓዙቱ ይዛረቡ። ውሕስና እዞም ምግብታት? ተመሳሳሊ ዕላማ ዘለዎም ብዙሓት ብመልክዕ ፈሳሲ ዝውሰዱ ምግብታት ኣለዉ። እዚኦም ከኣ ዝተሓተ መጠን ካሎሪ ብምምጋብ ብቕልጡፍ ክብደት ንምንካይ ከምዝሕግዙ ይዝረበሎም። ኣብ ውሽጢ ሰብነትና ዝህልዎም ጽልዋ እንታይ ይኸውን ዝብል ሕቶ ክለዓል ግድን’ዩ። “ክብደት ይንክይ፤ ሰብነትና ክጸርይ ይገብር” ዝብል መጽብዓታት (መብጽዓታት) ካብ ዝእተወሎም ጽማቝ ኣትክልትን ፍረታትን ክሳብ ዝተሓተ መጠን ካሎሪ ከምዘለዎም ዝንገረሎም ጽማቝን ሾርባታትን ኣለዉ። ሰብ ሞያ ግን “ተጠንቀቑ!” ይብሉ። ነዞም ምግብታት ምውሳድ ንኸቢድ ሓደጋ ጥዕና ኣመጋግባ ከቃልዑ ከምዝኽእሉን ንብዙሓት ሰባት ክሰማምዑ ከምዘይኽእሉን ይምዕዱ። ብሄራዊ ኣገልግሎት ጥዕና እንግሊዝ (ኤን ኤች ኤስ - ናሽናል ሀልዝ ሰርቪስ) ኣብ መዓልቲ 800 ካሎሪ ምርካብ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ዝሕብር ንዝተወሰኑ ሰባት ጥራሕ እዩ። ብፍላይ ዓይነት-ክልተ [‘ታይፕ-ቱ’] ዝበሃል ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሰባት ወይ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ ዘለዎም ሰባት ይምልከት። ነቲ ብመልክዕ ፈሳሲ ዝውሰድ ምግቢ ምጥቃም ጥንቃቐ ብዝተምልኦን ክትትል ሕክምና እናተገበረን ክኸውን ይግባእ። ብኦንላይን ካብ ዝዝርግሑ ፈሰስቲ ምግብታት እናዓደግካ ምጥቃም ውጽኢታዊ ዝኾነሉ አጋጣሚ ሓሓሊፉ’ዩ። ጎናዊ ሳዕቤናቱ ከኣ መርዘን ርእሲ፣ ጨረውረው ምባል፣ ከቢድ ድኻም፣ ውጽኣትን ቅርጸት ከብድን ይርከብዎም። ብዙሕ ተፈጥሮኣዊ ኣሲዳት ዝሓዙ ጽማቝ ፍሩታታት (ፍራፍረ) ንናይ ስኒ ‘ኢናሜል’ [ናይ ስኒ ምስትያት ዝበሃል] ክበላሾ ይገብሩ’ዮም። እኹል ካሎሪ እንተዘይሃልዩ ድማ ንናይ ትፋስና ጨና ክቕይሮ ይኽእል። ብድሕሪ እቲ ብመልክዕ ፈሳሲ ዝዳሎ ምግብታት ምጥቃም ናብ ስሩዕ ኣመጋግባ ክንምለስ ከለና ከጋጥም ዝኽእል ልዕሊ ዓቐን ምውሳኽ ክብደት ሰብነት ግን ካልእ ስግኣት ከምዝኾነ ሰብሞያ የጠንቅቑ። ስለዝኾነ ንኩነታት ሰብነትና ምክትታል ኣገዳሲ ይኸውን። በዓል ሞያ ፋውንዴሽን ስነ-ምግቢ ብሪቲሽ ዶክተር ሳይመን ስቴንሰን ከምዝብሎ፡ ምግቢ ምንካይ ወይ መጠን ካሎሪ ክጎድል ምግባር ቀጻሊ ፍታሕ ክኸውን ኣይክእልን። “ክብደት ሰብነት ንምንካይ ብቕልጡፍ ወይ ኣብ ሓጺር ጊዜ ዝግበሩ ለውጢታት ስርዓት ኣመጋግባ፡ ኣብ ገለ ሰባት ከም ናይ ሓሞት ፀፀር ዝበሉ ጸገማት ጥዕና ከኸትሉ ዝኽእሉሉ ኣጋጣሚ ዝለዓለ እዩ” ይብል ዶክተር ሳይመን። ወሲኹ ድማ “ገለ እዋናት ልሙድ ወይ ዝውቱር ዝኸውን ዓይነት ኣመጋግባ ተቐያያሪ መጠን ክብደት ሰብነት ከኸትል ይኽእል’ዩ” ክብል የረድእ። ንኽብደት ሰብነት ሓንሳብ ክውስኽ ጸኒሑ ድማ ክንክይ ዝገብር ዑደት ከም ማለት’ዩ። እዚ ከኣ ኣብ ጥዕና ኣሉታዊ ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል። ክብደት ንምንካይ ዝሓሸ ኣማራጺ፡ ፍሩታታት፣ ኣትክልቲ፣ ባሎንጓን ለውዝን ዝርከብዎም ዝተመጣጠነ ስርዓት ኣመጋግባ ምኽታል ከምኡ’ውን መዓልታዊ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር ከምዝኾነ እቲ ዶክተር ይምዕድ። ቀልጢፍና ክብደት ሰብነትና ንምንካይ ብዝብል ኣብቶም ብመልክዕ ፈሳሲ ዝውሰዱ ምግብታት ትኹረት ኣብ ክንዲ ምግባር፡ ዘየድልይ ካሎሪ ዘለዎም ከም ኣልኮላዊ መስተ፣ ዝተጠበሰ ድንሽ፣ ብሽኩትን ብቕልጡፍ ዝዳለዉ ምግብታትን ምውጋድ ከምዘድልይ ወሲኹ ይሕብር። ብፍላይ መሰረታዊ ጸገማት ጥዕና ዘለዎም ሰባት ቅድሚ ናብ ከምዚ ዝበለ ኣመጋግባ [ክንደት ንምንካይ ዝውሰድ ፈሳሲ ምግቢ] ምእታዎም፤ ምስ ሓኪም ወይ በዓል-ሞያ ስነ ምግቢ ከዘራርቡ ይግባእ። ምናልባት እቶም ነዚ ኣካይዳ ክጥቀሙ ዝክእሉን ዝሰማምዖምን ሰባት ፈሳሲ ምግቢ ውጽኢት ከምጽኣሎም ይኽእል’ዩ። ንብዙሓት ሰባት ግን ኣዝዩ ኣጸጋምን ሓደጋታት ከኸትል ዝኽእልን ከምዝኾነ ምግንዛብ ይግባእ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60673569"} {"headline":"ጽማቚ ቱፋሕ ሲሪስ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ዝተኸልከለሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ?","content":"ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝፈሪ ሲሪስ ዝተባህለ ዕሹግ ጽማቚ ቱፋሕ ኣብ ውሽጡ ልዑል መጠን ዘለዎ ንጥዕና ጎዳኢ ዝኾነ ንጥረ ነገር ስለ ዝተረኽቦ ኣብ ሸውዓተ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ዕዳጋ ክእከብ ከም ዝተገበረ ተገሊጹ። በዓል መዚ መግብን መድሃኒትን ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ 'ሲሪስ ኣፕል ጁስ' ዝተባህለ ዕሹግ ጽሟቕ ቱፋሕ \"ኣብ ውሽጡ ጎዳኢ ዝኾነ ካብ ምዕሳው ዝመጽእ መርዛም ኬሚካል ስለ ዝተረኽቦ\" ሕብረተሰብ ከይጥቀም ክብል መምርሒ ሂቡ። እዚ ኣብ ፍረታት ዘጋጥም ማይኮቶክሲን ካብ ዝብሃል ዕሳው ዝምንጩ ምዃኑ ብምሕባር ሕብረተሰብ ነዚ ምህርቲ ንከይጥቀም ምዒዱ ኣሎ። ኣብ ቤተ ፈተነ ብዝተገብረ መርመራ፡ እቲ ሲሪስ ዝተባህለ ምህርቲ ቱፋሕ ኣብ ሓደ ሊትሮ ክህልዎ ካብ ዝግባእ 50 ማይክሮ ግራም ልዕል ዝበለ መጠን ከም ዝተረኽቦ ተገሊጹ። እዚ ውጽኢት ማይኮቶክሲን ዝኾነ ፓቱሊን ዝተባህለ ጎዳኢ ንጥረ ነገር ኣብ ቱፋሕን ምህርታት ቱፋሕን ብዝፍጠሩ ዝተፈላለዩ ናይ ምዕሳው ምልክታት ዘጋጥም ምዃኑ ሰብ ሞያ የረድኡ። ኣብ ውሽጢ እቲ ጽሟቕ ተረኺቡ ዘሎ ንጥረ ነገር ድማ ኣብ ልዕሊ ተጠቀምቲ ተምላስን ዕውልውል ምባል ብምስዓብ ጸገም ጥዕና ከምዝፈጥር ተሓቢሩ። እዚ ምህርቲ ኣብ ዕዳጋታት ኬንያ፣ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ፣ ዛምቢያ፣ ዙምባብወ፣ ኡጋንዳ፣ ሲሸልስን ሞሪሽየስን ብብዝሒ ከም ዝሽየጥ ይግለጽ። ዞባዊ ንግዲ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ [ኮሜሳ] ተጠቀምቲ እዚ ምህርቲ ዝኾና ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ፈርዮም ዝተዘርግሑ ምህርታት ሲሪስ ጽማቚ ቱፋሕ ካብ ዕዳጋ ኣውጺኦም ነቲ ኣፍራዪ ክመልሱዎም ጸዊዑ ኣሎ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58922388"} {"headline":"ተኽሊ እንሰት፡ 100 ሚልዮን ህዝቢ ናይ ምምጋብ ዓቕሚ ኣለዎ ተባሂሉ","content":"ተመራመርቲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቦቅል እንሰት፡ ነታ ናይ መግቢ ቅልውላው ተተኣናግድ ዘላ ዓለም መድሕን ክኸውን ዝኽእል ተኽሊ ምዃኑ ሓቢሮም። እቲ ሙዝ ዝመስል ፍረ ዘለዎ ተኽሊ ኣብታ እናሞቐት ትሓድር ዘላ ዓለም፡ ልዕሊ 100 ሚሊዮን ህዝባ ናይ ምምጋብ ዓቕሚ ከምዘለዎ ሓደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። እዚ ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ብዙሕ ዘይፍለጥ ተኽሊ ብገዓትን ቆጮን [ምስ ክትፎ ዝቀርብ] መልክዕ ዝስናዳእ እዩ። እቲ ሓድሽ መጽናዕቲ ከምዘርእዮ፡ እቲ ተኽሊ ኣብ ኣፍሪቃ ብሰፊሑ ክፈሪ ዝኽእል እዩ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ሃዋሳ መምህር ዝኾነ ዶክተር ወንዳወርቅ አበበ \"እዚ ተኽሊ ውሕስና ምግቢ ኣብ ምርግጋጽን ዘለቕነት ዘለዎም ናይ ልምዓት ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ዓቢ ግደ ክጻወት ይኽእል እዩ”ኢሉ ። እዚ ብልምዲ ‘ፎልስ ባናና’ እናተብሃለ ዝጸዋዕ ምስ ተኽሊ ሙዝ ኣዝዩ ዝመሳሰለን ምትእስሳር ዘለዎን እንተኾነ’ኳ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተወሰነ ከባብታት ደቡብ ጥራይ እዩ ንኣገልግሎት ምግቢ ዝውዕል። እቲ ሙዝ ዝመስል ቅርጺ ዘለዎ ፍረ እንሰት ዝብላዕ እንተዘይኮነ’ኳ፡ ብካርቦሃይድሬት ዝበልጸገ ከምዝኾነ ዝንገረሉ፡ ናይቲ ተኽሊ ሰራውርን ጉንድን ገዓትን ቆጮ ንምስራሕ ኣብ ረብሓ ይውዕል፥። ቀንዲ ምግቢ እንሰት ኣብ ኢትዮጵያ ንኣስታት 20 ሚሊዮን ዝኸውን ህዝቢ ቀንዲ ምግቢ እንተኾነ’ኳ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ክፈሪ ኣይረአን። ምስ እንሰት ተመሳሳልነት ዘለዎም ኣትክልቲ ክሳብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝቦቕሉ ዝተረጋገጸ ኾይኑ፡ እንተኾነ ከምኡ ንምግብነት ዝውዕሉ ኣይኮኑን። እቲ ተኽሊ ግና ሰፊሕ ቦታ ብምሽፋን ሓያል ድርቂ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ከምዘለዎ ዘርኢ እዩ ተባሂሉ። ተመራመርቲ፡ ናይ ግብርና ተወሳኽቲ ስራሕቲ ብምስራሕ ኣብ መጻኢ ኣርባዕተ ዓመታት እቲ ተኽሊ ከወፍዮ ዝኽእል ዓቢ ኣስተዋጸኦ ኣንፊቶም። እቲ ተኽሊ፡ ልዕሊ 100 ሚልዮን ህዝቢ ናይ ምቕላብ ዓቕሚ ዘለዎ ኾይኑ፡ ካብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ፡ ኣብ ኬንያ፣ ኡጋንዳን ሩዋንዳን ኣብ ዝኣመሰሉ ሃገራት ኣፍሪቃ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋጽ ከምዝጠቅም ሓቢሮም። ኣብ ሮያል ቦታኒክ ጋርደንስ- ኪው ዝተብሃለ ትካል ምርምር ሕርሻ፡ ተመራማሪ ዝኾነ ዶክተር ጄምስ ቦረል እንሰት ኣብ ኣጸጋሚ ወቕቲ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋጽ ከም መከላኸሊ ዝጠቅም ከምዝኾነ ኣረዲኡ። \"እንሰት ካብ ካልኦት ዘራእቲ ዝፈልዩዎ ኣዝዮም ዘይተለምዱ ብዙሓት ባህርያት ኣለውዎ” ኢሉ። ነዚ እንተረድእ፡ \"ኣብ ዝኾነ እዋን ክትከል ዝኽእል ፣ እቲ ምህርቱ ብቐሊሉ ምእካብን ንነዊሕ እዋን ምዕቛርን ዝከኣልን እዩ። ነዚ እዩ ድማ ኣንጻር-ጥሜት ዝብል መጸውዒ ዝረኸበ \"። ለውጢ ኩነታት ኣየር ኣብ ኣፍሪቃ ኪነ ኣብ ካልእ ኣህጉራት ዓለም ኣብ ፍርያት እኽልን ኣብ ምዝርጋሕ ሕርሻዊ ምህርትን ልዑል ጸቕጢ ክፈጥር ከምዝኽእል እዩ ካብ ብሓዚኡ ዝግመት። ነዚ እዩ ድማ፡ ነቲ ኣብ ውሑዳት ዘራእቲ ጽግዕተኛ ዝኾነ ህዝቢ ዓለም ካልኦት ኣትክልቲ ኣብ ምእላሽ ተጸሚዱ ዘሎ። ካብቶም መዓልታዊ እንገቦም ምግብታት፡ ፍርቂ ዝኣክል ካሎሪ ካብ ሰለስተ ዘራእቲ ማለት’ውን ካብ ሩዝ፣ ስርናይን ዕፉንን [ዒልዎ\/መሸላባሕሪ] ኢና ንረኽቦ። ዶክተር ጄምስ ቦሬል፡ \"ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ረብሓ ዝውዕሉ ዘራእቲ ብኣጻብዕቲ ዝቑጸሩ ስለዝኾኑ፡ ብዓለምለኸ ብርኪ እንጥቀሞም ዓይነታት ኣትክልቲ\/ኣእኻል ክሰፍሑ ኣለዎም” ኢሉ። እዚ መጽናዕቲ ኢንቫይሮመንታል ሪሰርች ሌተርስ ኣብ ዝተብሃለ መጽሄት ዝተሓተመ እዩ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60101400"} {"headline":"ኣይስክሪም ብምልሓሱ ን 30 መዓልቲ ክእሰር ዝተፈርደ መንእሰይ","content":"ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ቴክሳስ፡ ካብ ናይ ዋል-ማርት ሱፐርማርኬት መዝሓሊ (ፍርጅ)፡ ኣይስክሪም ወሲዱ ብመልሓሱ ክልሕሶን መሊሱ ናብቲ መዝሓሊ ከቐምጦን ንነብሱ ብቪድዮ ዝሰኣለ ኣድርያን ኣንደርሰን ዝበሃል መንእሰይ፡ ን 30 መዓልቲ ክእሰር ተፈሪድዎ። እዛ ናይ ወዲ 24 ዓመት ኣድርያን ቪድዮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ እያ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ብብዝሒ ተዘርጊሓ። እንተኾነ፡ ነታ በሊዑ ናብ ፍርጅ ዝመለሳ ኣይስክሪም ተመሊሱ ከምዝገዝኣ ንሓለዋ ዝተተኽለ ካሜራ የርኢ። እዚ መንእሰይ ኣብ ዝባኑ ዝጸንሕ ሽድሽተ ወርሒ ማእሰርቲን፡ 100 ሰዓታት መሃያ ዘይብሉ ስራሕ ክሰርሕን ተፈሪድዎ'ሎ። ብተወሳኺ፡ መቕጻዕቲ 1000 ዶላርን ነቲ ትካል ድማ 1565 ዶላር ክኸፍልን ተኣዚዙ'ሎ። እቲ ፍጻመ ኣብ 26 ነሓሰ ዘጋጠመ ክኸውን ከሎ፤ ኣንደርሰንን ኣብኡን ጸኒሖም ናብቲ ሱፐርማርኬት ተመሊሶም፡ ኣንደርሰን ነታ ዝተልሓሰት ኣይስክሪም ከምዝገዝኣ ዘርኢ ቅብሊት ከምዘርኣዩ ማዕከን ዜና ኤ.ቢ.ሲ ገሊጹ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣይስክሪም ዘፍርይ ትካል፡ ንጥንቃቐ ነቲ ኣብ ፍርጅ ዝነበረ ኩሉ ከምዝቐየሮን፤ በዚ ድማ ከባቢ 1565 ዶላር ወጻኢታት ከምዝገበረን ሓቢሩ። ኣንደርሰን፡ ኣብዚ ዓመት ቀሊል ጥፍኣት ፈጺመ ክብል ኣሚኑ እዩ። ዋል ማርት ሱፐር ማርከት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ \"መግቢ እንተድኣ ተተናኺፉ፤ ወይ ሓደ ዓሚል 'መግቢ ኣበላሽየ ገዲፈ ኣለኹ' ዝብል መልእኽቲ እንተሕሊፉ፤ ቀልጢፍና ንኣኽበርቲ ሕጊ ነፍልጦም እሞ ንሶም ከኣ ኣለልዮም ክሕዝዎ ንገብር - እዚ ዋዛ ኣይኮነን\" ክብል ገሊጹ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51765057"} {"headline":"ትካል መግቢ ዓለምን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ከብጽሑ ተሰማሚዖም","content":"ሓለፊ ትካል መግቢ ዓለምን መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ኣብ ትግራይ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንከብጽሑ ከምዝተስማምዑ ተፈሊጡ። ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዳይሬክተር ትካል መግቢ ዓለም፡ ዴቪድ ቢዝሊይ፡ ኣብ መላእ ትግራይ ረድኤት ንምብጻሕ ትካሎም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይሰርሕ ምህላዉ ገሊጹ። ዴቪድ ቢዝሊይ፡ \"ኣብ ትግራይ ሰለስተ ሚልዮን ህዝቢ ናትና ህጹጽ ሓገዝ ይጽበ ኣሎ። ዝባኽን ግዜ የብልናን\" ዝብል ጽሑፍ ኣብ ትዊተሩ ኣስፊሩ። እቲ ኣብ ትግራይ ዝርከብ ሓላፊ እቲ ትካል፡ ትካል መግቢ ዓለም፡ 1.3 ሚልዮን ህዝቢ ንምርዳእ 20 ሽሕ ቶን ምግቢ ኣብ መላእ ትግራይ እናብጸሐ ከምዝኾነ ብምስሊ ኣደጊፉ ገሊጹ'ሎ። ምስዚ ብዝዛመድ ዜና፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ፕሮጀክት ሲንዲኬት ኣብ ዝተሓተመ ጽሑፉ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝበጽሕ ዘሎ ስቓይን መከራን፡ ቀዳምነት ከምዝህቦ ብምግላጽ፡ ትካላት ረድኤት ዓለም ምስ መንግስቱ ተሓባቢሮም ክሰርሑ ጸዊዑ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ክልል ትግራይ፡ ረድኤት ንምብጻሕን እቲ ኩነታት ናብ ንቡር ንክምለስን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣብቲ ጽሑፉ ገሊጹ። እቲ 'ብህወሓት ኮነ ተባሂሉ ተቛሪጹ' ዝበሎ መሰረተ ልምዓት ርክባት እቲ ክልል፡ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ እዋኑ ንኸይበጽሕ ፈተና ኮይንዎ ከምዝጸንሐን፡ ማሕበረሰብ ዓለም እዚ ኣብ ምፍታሕ ክተሓባበሮን'ውን ሓቲቱ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፡ ብፖለቲካውን ሕገመንግስታውን ጉዳያት ንነዊሕ እዋን ክተፋነኑ ድሕሪ ምጽንሖም፡ ብ 3 ሕዳር ለይቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ንመዓስከራት ናይቲ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣጥቂዖም ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር አብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ምኽሳሱ'ዩ ናብ ቅሉዕ ጎነጽ ኣምሪሖም። ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኵናት ኣሽሓት ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቂሎም፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ከኣ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ኣለዉ። ልዕሊ 4.5 ሚልዮን ሰባት'ውን ህጹጽ ረዲኤት ከምዘድልዮም ሰብመዚን ሕቡራት ሃገራትን ሓቢሮም። ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ፍሊፖ ግራንዲ፡ ኩነታት ትግራይ ኣዝዩ ዘሻቕል ከም ዝኾነን መንግስቲ፡ ሰብኣዊ ሓገዛት ንዘበርክታ ትካላት ናብቲ ክልል ከይኣትው ዝገብሮ ኽልከላ ደው ከብሎን ኣብ ዝሃለፈ ሰሙን ተማሕጺኑ ነይሩ። ኣብቲ ጎንጺ ዝሳተፉ ዘለው ኩሎም ወገናት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝፈጸሙዎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምህላው ዘረጋግጹ ብዙሓት ጭብጥታት ከም ዘለው'ውን ገሊጹ። ሓላፊ ኖርወጂያን ረፊዩጂ ካውንስል ጃን ኢገላንድ'ውን፡ ኣብ ትግራይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሞንጎ ዝርከቡሎም ኣርባዕተ መዓስከራት ኣብተን ክልተ ናውታት ሓገዝ ከም ዘብጽሑ እኳ እንተገለጸ፡ ኣብተን ክልተ ግን ክበጽሑ ከም ዘይኽኣሉን ከም ዘተሓሳስቦን ሓቢሩ። ውድብ ሕቡራት መንግስታት፡ ኣብ ትግራይ ኣስታት 4.5 ሚልዮን ህዝቢ ሓገዝ ከመዝድልዮ ምግላጹ ዝዝከር እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ ኣብ ትግራይ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት 2.5 ሚልዮን ከም ዝኾኑን ኣድላዪ ዘበለ ሓገዛት ይገብር ምህላው'ውን ኣፍሊጡ ነይሩ። ሚኒስተር ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ምስ 26 ዘይምንግስታውያን ትካላት ብምትሕብባር ሰብኣዊ ሓገዛት የብጽሕ ምህላው ገሊጹ'ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ጽጥታ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ልዕሊኦም ኣብ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ ሕዳር 2020 ኵናት ምስ ኣወጀ፡ እቲ ኣብ ሞንጎኦም ዝጸንሐ ወጥሪ ናብ ቅሉዕ ኵናት ዓሪጉ። እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ ውድብ ህወሓትን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራልን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ርክቦም ሓርፊፉ ጸኒሒ እዩ። ህወሓት ንዝሓለፈ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት፡ ኣብቲ ብሕብረት ሰልፍታት ዝቖመ ኢህወደግ ብዓብላልነት ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ ምጽአ እቲ ዝነበሮ ዓብላልነት ስኢኑ ኣብ ክልል ትግራይ እዩ ተደሪቱ ጸኒሑ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55908530"} {"headline":"ዩኒሴፍ፡ ኣብ ትግራይ 33 ሽሕ ህጻናት ንሓደጋ ሞት ከምዝተሳጥሑ ገሊጹ","content":"ኣብ ትግራይ ኣስታት 33 ሽሕ ህጻናት ብሰንኪ ሕጽረት ምግቢ ንሓደጋ ሞት ተሳጢሖም ከምዝርከቡ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ጉዳያት ህጻናት [ዩኒሴፍ] ኣፍሊጡ። ወሃቢ ቃል ዩኒሴፍ፡ ጄምስ ኤልደር፡ ኣስታት 33 ሽሕ ህጻናት ብሰንኪ ስእነት ምግቢ ንከቢድ ሕማም ዝተሳጥሑ ኾይኖም ‘ኣብ ድርኩኺት ሞት እዮም ዝርከቡ’ ክብል ስግኣቱ ገሊጹ። ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጸኦ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ልዕሊ 350 ሽሕ ዝኾኑ ነበርቲ ትግራይ ‘ኣብ ኣዝኡ ዘሻቕል ኩነታት ይርከቡ’ ክብል ገሊጹ ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ትግራይ ጥሜት ኣጓኒፉ ተባሂሉ ዝዝረብ ጌጋ ምዃኑ ብምንጻግ፡ እኹል ረድኤት ናብ ዝምልከቶም ከባብታት የብጽሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ኣብ ትግራይ ኣብ 4 ሕዳር 2020 ኲናት ካብ ዝጅመር ንድሓር ልዕሊ 1.7 ሰባት ምምዝባሎም፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ምማቶምን ኣብቲ ክልል ሓያል ማሕበራዊ ቅላውላው ስዒቡ ከምዘሎን ጸብጻባት ይሕብሩ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ዝወጽአን ኩነታት ትግራይ ዝገምገመን ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ምግቢ ‘ኣዝዩ ዘሻቕል’ ከብል ዝገለጾ ኾይኑ ሓያል ጉድኣት ከስዕብ ከምዝኽእል ስግኣቱ ገሊጹ። በዚ ጸብጻብን ገምጋመን መሰረት፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ገለ ከባብታት ካብ ብሕዚኡ ሞት ዘስዕብ ጥሜት ከምዘሎን እዚ ኩነታት ብቐሊሉ ናብ ካልእ ከባብታት ክስፋፋሕ ምዃኑን ገሊጹ። በቲ ሕዚ ዘሎ ገምጋም፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክበጽሕ ዝኽእል ጉድኣት ንምትራፍ፡ ረድኤት ዘይበጽሖም ከባብታት ሓገዝ ዝረኽብሉ ኩነታት ብዕቱብ ክስረሐሉ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ። ወሃቢ ቃል ዩኒሴፍ፡ ጄምስ ኤልደር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ “ኣብዚ ሕዚ እዋን ዳህሳስ ካብ ዝተገብረሉ 20 ሚኢታዊት ከባብታት 350 ሽሕ ኣብ ልዑል ስእነት ምግቢ ምዃኑ መሊእኻ ‘ዓጸቦ ኣርኪቡ’ ኢልካ ንምእዋጅ ካብቲ ዝተቐመጠ ረቛሒ ንታሕቲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን’ምበር ሰባት እናሞቱ፤ ብቓላት እንተዘይንጻወት ይሓይሽ” ኢሉ። ምስ እዚ ተዛሚዱ፡ ኣስታት 33 ሽሕ ህጻናት ብሰንኪ ስእነት ምግቢ ‘ኣብ ድርኩኺት ሞት እዮም ዝርከቡ’ ክብል ወሲኹ ሓቢሩ። ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና ኢትዮጵያ፡ ዶ\/ር ሊያ ታደሰ፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ፡ ልዕሊ 75 ሽሕ፡ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝኾኑ ሕጽረት ምግቢ ዘጋጠሞም ህጻናት ናብ ማእከላት ጥዕና ጣብያ ምምጸኦም ሓቢራ። ካብ መንጎኦም እቶም 4 ሚኢታዊት ብሕሱም ሕጽረት ምግቢ ዝተሃሰዩ ኮይኖም፡ ኣድላይ ዝበሃል ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ድጋፍን ከምዝረኸቡ ጠቒሳ። ኣስታት ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ፡ ንዝለዓለ ቅልውላው ዝተሳጠሐ ምዃኑ ኣብቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ገምጋም ስዒቡ ዝወጽአ ጸብጻብ ይሕብር። ኣመሪካን ኣውሮፓን ብሓባር፡ ኣብቲ ኲናት ዝሳተፍ ዘለዉ ኣካላት ኩሎም ተኹሲ ጠጠው ከብሉን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ሚልዮናት ረድኤት ዝረኽብሉ ኩነታት ክፍጠርን ሓቲቶም። ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ማርክ ሎውኮክ፡ ‘ኣብ ትግራይ ዓጸቦ ኣሎ’ ኢሉ እንተተዛረበ’ኳ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ሓሳብ ኣይቕበሎን። መንግስቲ፤ እኹል ረድኤት የብጽሕ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ። ማርክ ሎውኮክ ግን፡ እቲ ዓጸቦ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝኸፍአ ሞትን ስቓይን ከይኣስዓበ እንከሎ ብኣግኡ፡ ‘ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል’ ጻውዒት ኣብ ግብሪ ከውዕል ከምዘለዎ ይዛረብ። እዚ ከምዚ እንከሎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጎንጺ'ቲ ክልል ንኣዋርሕ ዝሳተፉ ዘለውን ብዝተፈላለዩ ገበናት ዝክሰሱን ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ምውጻእ ምጅማሮም ምግላጹ ዝዝከር እዩ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57458954"} {"headline":"ኢትዮጵያ ትርከበን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ሓድሽ ወራር ኣንበጣ ኣንጸላልዩወን ተባሂሉ","content":"ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያን ሰሜናዊ ኬንያን ዝተራእየ ሓድሽ ዕስለ ኣንበጣ ናብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይዝጋሕ ከም ዘሎ ትካል መግብን ሕርሻን ዓለም (ፋኦ) ኣፍሊጡ። ፋኦ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ እዋናዊ ሓበሬታ፤ እቶም ገና ዘይዓበዩ ዕስለ ኣንበጣ ካብቶም ቅድሚ ሎሚ ዝራብሑሎም ዝነበሩ ከባብታት ምብራቕ ኢትዮጵያን ማእኸላይ ሶማሊያን ናብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከምኡ'ውን ናብ ሰሜናዊ ኬንያን ገማግም ግዝኣታታን ይዝርግሑ ከም ዘለዉ ገሊጹ። \"ዛጊት እቶም ዘይባጽሑ ዕስለ ዋጂር፣ ጋሪሳ፣ ማርሳቢትን ኢስዮሎን ኣብ ዝበሃለ ኣርባዕተ ግዝኣታት ተራእዩ'ሎ\" ዝበለ መግለጺ ፋኦ ምርባሕ ቀጺሉ ከም ዘሎ ሓቢሩ። ገለ ካብቲ ዕስለ ኣብ ኬንያ ከም ዝዝርግሑን ኣብዚ ወርሒ ናብ ታንዛኒያ፣ ደቡብ ሱዳንን ዩጋንዳን ከም ዝኣትውን ድማ ኣጠንቂቑ። ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣብቲ ዞባ ከቢድ ስግኣት ውሕስና መግቢ ከንጸላሉ ገይሩ'ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብቢልዮናት ዝግመቱ ኣንበጣ ሞሮር ኣብቲ ዞባ ንዝነበረ ኣእኻል ኣብሪሶም'ዮም። በዚ ዝተሃሰያ ሃገራት መጽናዕቲ ኣብ ምግባር ኮነ ዝርግሐን ምርባሕን እቲ ነፍሳት ኣብ ምቁጽጻር ኣገዳሲ ጻዕሪ ክገብራ ትካል መግቢን ሕርሻን ዓለም ጸዊዑ'ሎ። \"እቶም ዕስለ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናብ ማእኸላይ ኬንያ ምናልባት'ውን ናብ ደቡብ ምብራቕን ሰሜን ምብራቕን ታንዛኒያ፣ ምብራቓዊ ዩጋንዳ፣ደቡብ ምብራቕ ደቡብ ሱዳን ክበጽሑ ይኽእል እዮም\" ይብል ፋኦ። ዛጊድ ድማ ገና ዘይዓበዩ ኣንበጣ ብ8 ጥሪ ናብ ሰሜን ምብራቕ ታንዛኒያ ምብጽሖም ጸብጻባት ኣመልኪቶም ኣለዉ። \"እቶም ኣንበጣታት ኣብ ዝምቹ ቦታ ምስ ዓለቡ ክባጽሑን እንቋቖሖ ከውድቑን እዮም፤ እዚ ድማ ተጫጪሑ ኣብ ለካቲትን መጋቢትን ዕስለ ከኸትል'ዩ\" ክብል የጠንቅቕ ትካል መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55628716"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ካብ ገላዕታ በለስ እንታይ ዓይነት መግቢ ክዳሎ ይኽእል?","content":"ህድኣት ሓጎስ፡ ቆልዓ ትሕቲ ዕድመ እናሃለወት ኲናት ዘስዕቦ ምፍንቓል፣ ሞትን ዕንወት ኣባይትን ስለ ዝርኣየት ክሳብ ሕጂ ዘይሃሰሰ በሰላ ኲናት ናብ ኣእምሮኣ እናተመላለሰ እዩ ዘሻቕላ። ስድራቤታ ቅድሚ 21 ዓመት ብዘጋጠመ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ካብ ዛላምበሳ ክመዛበሉ እንከለው፡ ከም ውጽኢቱ ንዝተፈላለዩ ማሕበረ ቁጠባዊ ጸገማት ከም ዝተቓልዑ ትዝክር። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን፡ ብሆቴልን ቱሪዝምን ኣብ ኣመሪካ ሆቴል ሂልተን ማኔጀር መግብን መስተን ኮይና ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት እናሰርሐት ትርከብ። \"ኣብ እዋን ቁልዕነትካ ዘጋጥም በሰላ ኲናት ኣይትርስዖን። ሕጂ ካብኡ ተማሂርና ሰባት ብሰላም ዝነብርሉ ግዜ እናተመነና ካብኡ ዝገደደ ኲናት መጺኡ ክርኢ ከለኹ ግን ወትሩ ልበይ ይስበር\" እትብል ህድኣት፡ ብምኽንያት እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ትግራይ ኣብቲ ክልል ዝስጋእ ዓጸቦ ከስዕቦ ዝኽእል ሞት ከም ዘስግኣ ትዛረብ። ሚሊዮናት ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዝጽበዩን ኣብ ገሊኡ ከባቢታት'ውን ሰባት ብጥምየት ክሞቱ ከም ዝጀመሩን ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን ግን፡ \"ሓደ ነገር ክገብር\" ኢላ ተልዒላ። \"ሕዚ ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ትግራይ ጥምየት ኣጋጢሙ፣ ሰብ ሞይቱ ክትሰምዕ ወይ ዝጠመዩ ህጻናት ክትርኢ ከለኻ ትሓዝን። ኣገልግሎት መብራህቲ'ውን ብዘይምህላዩ ገለ ነገር ዝረኸበ ሰብ ኣጥሒኑ ክጥቀም ኣይኽእልን። ኣብዚ ግዜ ህዝቢ ከመይ ኢልና ክንሕግዝ ንኽእል ኢለ ክሓስብ ከለኹ . . . ንበለስ ሓሲበ\" ትብል። ተኽሊ በለስ፡ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ትግራይን ኤርትራን ዝቦቁል ኮይኑ፡ ክሳብ ቀረባ እዋናት እቲ ፍርኡ ጥራይ ምብላዕ'ዩ ተለሚዱ። ህድኣት ግን፡ እቲ ገና ናብ ደረጃ ገልዒ ዘይተሰጋገረ ሽላ በለስ [ውልዶ በለስ ] ተባሂሉ ዝጽዋዕ ገልዒ በለስ ብዝተፈላለየ መልክዑ ተዳልዩ ንመግብነት ክውዕል ከም ዝኽእል ትዛረብ፤ ነዚ'ውን ብዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚዲያታት ትጉስጉስ። \"ንሕና ኣብ ታሪኽና ብዙሕ ናይ ጥምየት ሓደጋታት ርኢና ኢና፤ ግን ድማ ሰብ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ጸጋ ናብ ጥቕሚ ብምውዓል መግቢ ክረክብ ይኽእል'ዩ። ህዝቢ [ሽላ በለስ] ኣይበልዖን ግን ንክበልዖ እንታይ ነርእዮ ዝብል ተበግሶ ወሲደ ኣለኹ\" ኢላ። ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ሜክሲኮ ዳርጋ ዝበዝሕ ከባቢኣ ብተኽሊ በለስ ዝተሸፈነ ስለ ዝኾነ፡ ካብ ሽላ በለስ [ኖፓል ኢሎም ዝጽውዑዎ] ዝዳሎ መግቢ ካብቶም ዝበለጹ ዓይነታት መግቢ ኮይኑ ኣብ ባንዴራ'ውን ቐዲሙ ዝልለ ስእሊ በለስ እዩ። ዜጋታት እታ ሃገር እቲ ንመግብነት ዝጥቀምሉ ክፍሊታት በለስ ከም ሰላጣ፣ ጽሟቕ፣ ቅጫን ቺፕስን ተዳልዩ ይቐርብ። \"ንሕና'ውን፡ ኣብ ኢድና ጸጋ እናሃለወ ሰብ ክጠሚ ወይ ክመውት ኣይግባእን፤ ስለዚ ህዝቢ ካብዚ ክጥቀም ክኽእል ኣለዎ\" ክትብል ህድኣት ትምዕድ። ውልዶ በለስ ብኸመይ ናብ መግብነት ይውዕል? ህድኣት፡ 'ኣሕምልቲ ብዝተፈላለየ መልክዑ ንሰርሖም እንዲና? ሽላ በለስ'ውን ካብቶም ኣሕምልቲ ንላዕሊ ብዝተፈላለየ መልክዑ ንክትሰርሖ ዘኽእል ባህሪ ኣለዎ' ኢላ። ብፍላይ እቶም ንሰብነትና ኣገደስቲ ዝብሃሉ ንጥረ ነገራት ንምርካብ ነቲ ኣብ ዝባኑ ዘሎ ሕንሽሽ ኣጽሪኻ ከየብሰልካ ከም ጉዕ ወይ ኮሚደረ [ጥርሑ] ብጥርኡ ክብላዕ ይኽእል። ካብኡ ሓሊፉ፡ ሽላ በለስ ኣብ ዝረሰነ መቕሎ ጠቢስካ ጨውን ዘይትን ከይሓወስካ ክብላዕ ከም ዝኽእል ተረድእ። \"እዚ እቲ ኣነ ዝፈተኹዎ'ዩ\" ዝበለት ህድኣት፡ ከም ስጋ ብመልክዕ ጥብሲ'ውን ዝዳሎ ምዃኑ ገሊጻ። ካልእ ሜክሲካውያን 'ኖፓሌ ሳላድ' ኢሎም ዝጽውዑዎ ሰላጣ ገይርካ ክዳሎን ክብላዕን ዝኽእል ኮይኑ፡ \"ከምቲ ሰላጣ ንምድላው እንኽተሎ ኣሰራርሓ ተጠቒምና ክንሰርሖ ንኽእል፤ እንተተረኺቡ ድማ ኣቨካዶ፣ ጉዕን ኮሚደረን ሓዊስካ ጥዑም'ዩ\" ኢላ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ዝተፈላለዩ ነዚ ተኽሊ ንመግብነት ዘውዕሉዎ ሰባት ዘዝጥዕሞም ዓይነት ኣቀራርባ ዝጥቀሙ ኮይኖም፡ ብጸብሒ ወይ ሱፕ ገይሮም ከዳልዉዎ ይርኣይ'ዩ። ብኻልእ ወገን፡ እቲ ንመግብነት ይውዕል'ዩ ዝብሃል ዘሎ ሽላ በለስ ጥሒንካ ሓደ ቢኬሪ ፍርቂ ሕሩጽን ሓደ ቢኬሪ ፍርቂ እቲ ዝተጥሓነን በለስን ለዊስካ ቅጫ ክዳሎ ይኽእል። በለስ፡ ኣብ ትግራይ ካብቶም ብዝግባእ ኣብ ረብሓ ዘይውዓሉን ኣብ ገለ ከባቢታት እቲ ክልል ድማ ኮቸኔል ብዝበሃል ሕማም ዝተጠቕዐን ኮይኑ እቲ ገልዑ ጥሪት ክበልዕኦ'ዩ ዝወሃብ። እዚ፡ እቲ ሕብረተሰብ ካብ ዘለዎ ባህሊ ኣመጋግባ ዝነቅል ናይ ግንዛበ ሕጽረት ዝወለዶ ከም ዝኾነት እትዛረብ ህድኣት፡ ንርእሳ'ውን መጀመርታ ካልኦት ክሰርሑዎን ክበልዑዎን ምስ ርኣየት 'ስክፍታ' ሓዲሩኒ ነይሩ ትብል። ድሓር ግን ጥቕምታቱ ክተጽንዕን ክትሓትትን እያ ጀሚራ። በዚ፡ እቲ ውልዶ በለስ ካብቲ ፍረ በለስ ንላዕሊ ንሰብነትና ዝጠቕሙ ቫይታሚናትን ሚነራላትን ከም ዘለዎ ተማሂራ ክትርዳእ ክኢላ። ተሞክሮኣ'ውን ብሓደጋ ኣጋጣሚ ተቐይሩ። ቅድም ኢሉ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ብቢዝነስ ማኔጅመንት ንሓደ ዓመት ክትምህር ድሕሪ ምጽናሕ ብትምህርቲ ናብ ስፔይን ከይዳ ኣብ ሆቴልን ቱሪዝምን ትኹረት ብምግባር ካልኣይ ዲግሪ ክተጽንዕ እንከላ ተኸሺኖም ምስ ዝቐርቡ መግብታት ሸዊት ገልዒ በለስ ተላልያ። \"ኲናት ካብ ዛላምበሳ ምስ ኣመዛበለና በለስ ትምህርትናን ቤተሰብናን ክንሕግዝ ዓብዪ ግደ ነይሩዎ\" ብምባል ምስ በለስ ዝጸንሐ ዝምድና ከም ዘለዋ እትዛረብ ህድኣት፡ ናብ ስፔይን መጺአ ግን ከመይ ንመግብነት ክንትቀመሉ ንኽእል ዝብል ሓሳባት ወሲዳ። ወሲኻ፡ \"ሽላ በለስ ሕማማት ሽኮር ይከላኸል\/ ይንኪ፣ ብዝሒ ደምን ናይ ጨጎራ ሕማም ከምጽኡ ዝኽእሉ ሕማማትን ኣብ ምክልኻልን ናይ ሰብነት ሕማም ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ኣብ ምውሳኽን ዓብዪ ረብሓ'ዩ ዘለዎ። ስለዚ፡ እዚ ኹሉ እናሃለዎ ስለ ምንታይ ናብ መግብነት ዘይነውዕሎ?\" ክትብል ትሓትት። እዚ ኹሉ ክሕሰብ እንከሎ ግን፡ ብዙሓት ጣዕሙ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ምባሎም ኣይተርፍን። ንሕና'ውን ንህድኣት ሓቲትናያ። እዚ ካብ ውልዶ በለስ ዝዳሎ መግቢ ብጣዕሙ፡ ባሚያ ወይ ኦክራ ተባሂሉ ንዝጽዋዕ ሓደ ካብ ዓይነታት ኣሕምልቲ ከም ዝመሳሰልን ናብ ሓምሊ ቖስጣ ዝወስድ ጣዕሚ ከም ዘለዎን ገሊጻ። \"ጣዕሙ ሃብታም ስለ ዝኾነ ኣብ ኣፍካ ብዙሕ ነገራት እዩ ዝስምዓካ። ብዘይ ጨው ክብላዕ ዝኽእል መግቢ'ውን ስለ ዝኾነ ኣዝዩ ጠቓሚ'ዩ\" ኢላ። ወሲኻ \"ከም ልምዲ ኮይኑ እታ ዝለመድናያ ወይ ቤተሰብና ዘላመዱና እምበር ሓድሽ ነገር ኣይንፍትንን . . . ርእስና ሓድሽ ነገር ንምፍታን ዕጽው'ዩ። እታ ዝለመድኻያ ምጽባይ እንተዘይሃሊያ ድማ ምጥማይ፤ ካብ ዝኾነ ባህላዊ ኣተሓሳስባ ክንወጽእ ይግባእ\" ዝብል እምነት ከም ዘለዋ ገሊጻ። በለስ ተፈጥሮኣዊ ትሕዝትኡ ዝሓለወን ብቐሊሉ ብስፍሓት ክበቁል ስለ ዝኽእልን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ካልኦት ሃገራት ዓለም ልዑል ጠለብ ኣለዎ። ኣብ ሱፐርማርኬታት ምስቶም 'ኦርጋኒክ' ዝበሃሉ መግብታት ተሰሪዑ ክሽየጥ እንከሎ፡ ካብቶም ኣለው ዝብሃሉ ኣሕምልቲ ዋግኡ ዝኸበረ ከም ዝኾነ ይግለጽ። ቀስ ብቀስ እቲ ማሕበረሰብ ዘለዎ ናይ ኣመጋግባ ባህሊ ንምቕያር ዕላማ ከም ዘለዋ ዝገለጸት ህድኣት፡ ብኽምስታ \"ህይወትካ ንክተድሕን ግድን ዝለመድካዮ ጥራይ ክትጽበ የብልካን፤ ስለ ዝኾነ ድማ ኩልኹም ጥዓሙዎ\" ክትብል ተሞክሮኣ ኣካፊላ። በለስ ክሳብ ሕዚ ኣብ ምንታይ ዓይነት ምህርታት ውዒሉ? ኣብ ዓለም ልዕሊ 200 ዓይነታት በለስ ኣለው። እዚኦም ብሕብሪ ዝተፈላለዩ ኮይኖም፡ ቢጫ፣ ሮዛን ጻዕዳን ሕብሪ ፍረ ብብዝሒ ከፍርዩ ይስትውዓል። ፍረ ተኽሊ በለስ፡ 24 ሚኢታዊት መዓልታዊ ክንወስዶ ዝግብኣና ቫይታሚን ሲ፣ ካልሸየም፣ ማግኔዥየም፣ ፖታሽየምን ኮፐርን ዝሓዘ ምኻኑ ድማ ሰብ ሞያ ይዛረቡ። እዚ ራሕስን ዝናብን ኣብ ዝውሕዶም ከምኡ'ውን ሓውሲ ኣጻምእ ከባቢታት ብብዝሒ ዝፈሪ ተኽሊ፡ ካብ መግብነት ሓሊፉ፡ ምጉሕጓሕ መሬት ኣብ ምክልኻል ዘይነዓቕ ግደ ኣለዎ፤ ብተወሳኺ ንነዳድን ተሓዳሲ ጸዓትን ይውዕል። እንተኾነ እዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ በለስ ንዕብየቱን ሃለዋቱን ዝውሃቦ ትኹረት ትሑት ብምዃኑን ንዝሓለፉ ልዕሊ ሓሙሽተ ዓመታት ብኩችኔል ስለ ዝተጠቕዐን፡ ኣብ ሓደጋ ምብራስ'ዩ ዝርከብ። እዚ፡ ምሕደርኡ'ውን ባህላዊ መገዲ ብምዃኑ ክንድቲ ዝድለ ካብኡ ክርከብ ዝኽእል ጥቕሚ ምጥቃም ኣይተኽኣለን። ብ2005 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ካብ በለስ ክፈርዩ ዝኽእሉ ምህርታት ምፍራይ ዝጀመረት ጸጋ ገብረኪዳን፡ ኣብ ክልል ትግራይ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ካብ በለስ ማርማላታን ኩኪስን ብምፍራይ ናብ ዕዳጋታት ክተቕርብ ጸኒሓ። ብኻልእ ወገን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ተመራማሪት ዶክተር ዘቢብ ዮኑስ ካብ በለስ ተሓዳሲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምምንጫው ክትመራመር ከም ዝጸንሐት ይፍለጥ። በዚ ኣብ 2019 ዓ.ም ፈላመይቲ ኢትዮጵየዊት ሳይንቲስት ተሸላሚት ፍሌየር ኮይና ንሰራሕቲ ምርምራ ዝሕግዝ 300 ሽሕ ፓውንድ ረኺባ ነይራ። ኣብታ ተኽሊ በለስ ንዝተፈላለየ መዓላታት ተውዕሎ ዘላ ሃገረ ሜክሲኮ ድማ ተመራማሪት ሳንድራ ፓስኮ ኦርቲዝ፡ ንከባቢ ዘይጎድእን ቐልጢፉ ክብስብስ ዝኽእልን ፕላስቲክ ኣብ ምፍራይ ገልዒ በለስ ተጠቒማ'ያ። ብሓፈሻ ተኽሊ በለስ ማሕበራዊ ጸገማት [ሽቕለት ኣልቦነትን ስደትን] ኣብ ምፍታሕ፣ ወጻኢታት ኢንዳስትሪ ኣብ ምንካይንን ከባቢያዊ ውሕስና ኣብ ምርግጋጽን ሓጋዚ ተራ ከም ዘለዎ ይእመን።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58730615"} {"headline":"እስራኤል፡ ክንምገቦም ናብ ሱፐርማርኬታት ዝመጽኡ ዘለው ሓሳኹ","content":"እቲ እንነብረሉ ከባቢ ንምሕጋዝ ሓሳኹ ምብላዕ ክንጅምር ኣለና ካብ ዝብሃል ነዊሕ ገይሩ ኣሎ፤ ንመብዛሕትና ግን ፈጺሙ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ወይ ድማ እንታይ ክጥዕመና? ንብል ንኸውን። ሓደ ኩባኒያ እስራኤል ግን ነቶም ሓሳኹ መቐረት ዝህቡ ነገራት ወሲኹ ናብ መኣዲ ከቕርበልናን ነቲ ስግድግድ ዝብለና ወይ እንጽየፎ ስምዒትን ክቐርፈልኩም እየ ይብል ኣሎ። ድሮር ታሚር ሓላፊ ኩባኒያ ሃርጎል'ዩ። ኣብ ሓደ መቐመጢ ኣቕሓ ኣዝዮም ምቁራትን ልስሉሳትን ማስቲካ ሒዙ ረኺብናዮም። ፕሮቲን ኣለዎም፤ ግንከ ካብ ኣዳጉራ ወይ ሕብሪ ዘይብሉ ጣዕሚ ንምሃብ ካብ ዝዳሎ እታወት ኣይኮኑን ተሰሪሖም። እንታይ ድኣ፤ ዓይነት ኩብኩብታ ካብ ዝኾነ ነፋሪ ሓሰኻ - ኣምበጣ ዝሰተርሐ'ዩ። \"ኣንበጣ፡ ናይ ካዕካዕ፣ ማሽሩም፣ ቡንን ቸኮሌትን ጣዕሚ ኣለዎ። ግን ክኣ ካልኦት መቐረታት'ውን ክትውስኸሉ ትኽእል . . . እዚ ማስቲካ ናይ ኣራንሽን ስትራውቤሪን ጣዕሚ ኣለዎ\" ይብል። እዚ እስራኤላዊ በዓል ሃብቲ ቖልዓ ኮይኑ ካብ እኖ ሓጉኡ ካብ ዝሰምዖም ዝነበሩ ታሪኻት ተበጊሱ ዝሓስቦ ዝነበረ ከም ዝኾነ ይዛረብ። \"ብ1950ታት እስራኤል ብሕጽረት መግቢ ክትሳቐ እንከላን ካብ ኣፍሪቃ ብዝመጽእ ዕስለ ኣንበጣ ዘራእቲ ይዓንው ብምንባሮም፡ ካብኡ ተማሂረ'የ\" ይብል። ብዝገርም ኩነታት፡ ኪቡቱዝ ዝብሃሉ ብሕርሻ ዝመሓደሩ ክፋል ሕብረተሰብ እስራኤል ነቶም ኣንበጣ ንምብራር ዘሰንብዱዎም ነገራት ተጠቒሞም ክጓየዩ እንከለው፡ እቶም የመንቲን ሞሮኮ ኣይሁድን ግን ኣኪቦም ይበልዑዎም ከም ዝነበሩ ይዛረብ። \"ሽዑ'የ ኣንበጣ መግቢ ቢሊየናት ህዝቢ ዓለም ከም ዝኾነ ዝተገንዘብኩ\" ኢሉ። እዚ ሓሰኻ፡ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኤዥያ፣ ማእከላይ ኣመሪካን ማእከላይ ምብራቕን ዝበልዑዎ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣለው'ዮም። እንተኾነ ንመብዛሕትኦም ህዝብታት ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ሕጂ'ውን ፈጺሙ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ታሚር ግን ነዚ ክልውጥ ይብህግ። እቲ ኩባኒያ ድማ ነዚ ሓሰኻ ተጠቒሙ ብርክት ዝበሉ ምህርታት ንዕዳጋ ከቕርብ መደብ ኣለዎ። ካብቶም ሕጂ ዘፍረዮም ዝሕየኹ ምቁራት ማስቲካ ብተወሳኺ ድማ፡ በርገር፣ ፋላፌልን ሓይሊ ወሃብቲ በሽኩቲን ከፍሪ'ዩ። ክሳብ ሕጂ ሓሰኻ ፈጺሙ መግቢ ክኸውን ከም ዘይኽእል እንተኣሚንኩም፡ ገለ ሰብ ሞያ ግን ብምኽንያት ከባቢያዊ ስግኣታትን ወሰኽ ብዝሒ ህዝብን ድሕሪ ግዜ ካልእ ኣማራጺ ኣይክህልወኩምን'ዩ ይብሉ። ኣብ 2050፡ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ሕጂ ካብ ዘለዎ 7.7 ቢሊየን ናብ 9.8 ቢሊየን ክበጽሕ እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ዘሎ ባህላዊ ሜላ ሕርሻ ሒዝካ እሞ ኽኣ ካልእ ክልተ ቢሊየን ህዝቢ ወሲክኻ ናብራ ቀሊል ኣይኸውንን። ድሕሪ 30 ዓመት፡ ኣብ ክንዲ ከፍቲ፣ በጊዕን ካልኦት መጥወብቲ እንስሳትን ካብ ምዕባይ ፕሮቲን ዘለዎም ሓሳኹ ምምጋብ ነቲ እንነብረሉ ከባቢ ዝሓሸ ኣበርክቶ ክህልዎ'ዩ። \"ፕሮቲን ኣብ እንምገቦ መግቢ ኣገዳሲ'ዩ። ግን ክኣ እቲ ዝለመድናዮ ፕሮቲን ካብ ስጋን ውጽኢት ጸባን እንረኽቦ'ዩ። ከም ኣንበጣ ወይ ናይ መግቢ ሓሰኻ ዝበሉ ሓሰኻታት ብፕሮቲን ሃብታም'ዮም። ብቐሊሉ ከኣ ክተፍርዮም ዝክኣልን ካብ ስጋ ንላዕሊ ዝተሓተ ስብሕን ከባቢያዊ ጽልዋን ዘለዎም'ዮም\" ይብል ላዕለዋይ ኣማኻሪ ሳይንስ ኤጀንሲ ደረጃታት መግቢ ብሪጣኒያ ፕሮፌሰር ሮቢን መይ። ኣብዚ እቲ ቀንዲ ሕቶ፡ እቲ ካብኦም ዝርከብ ፕሮቲን ኣለርጂ የምጽኡ ድዮም ዝብልን ነቲ ኣብ ውሽጢ ሰብነትና ዝነብሩ ባክተርያን ካልኦት ብማይክሮስኮፕ ጥራይ ዝርኣዩ ደቀቕቲ ነገራትን የጥቅዑ ድዮም ዝብል'ዩ ይብል። ታሚር፡ ንከባብን ንጥዕናን ዘለዎም ረብሓ ምርኣይ እኹል ስለ ዝኾነ ኣካል መኣድና ክኾኑ ምግባር ኣገዳሲ'ዩ ብዝብል ይኣምን። ካብዚ ብዝብገስ ኣብ ሰሜን እስራኤል ኣብ ዝርከብ ናይ ሕርሻ ቦታኡ ናይ ሶላር ሓይሊ ተጠቒሙ ኣንበጣ የፍሪ ኣሎ። እቲ ቀንዲ ዓሌት ስደተኛ ኣንበጣ ኮይኑ፡ ናይ በረኻ ኣንበጣ'ውን የፍሪ'ዩ። \"ኣብ ዓመት 400 ሚሊየን ኣንበጣ ከንረክብ ንኽእል ኢና\" ዝብል ታሚር እቲ ሓሰኻ ሙሉእ ንሙሉእ ንክዓቢ 29 መዓልታት ከም ዝወስደሉ ይሕብር። ምስ ምህርቲ ስጋ ብምንጽጻር ናይ ኣንበጣ ሕርሻ ልቀት ግሪን ሃውስ ብ99 ሚኢታዊት፣ ጠለብ ማይ ድማ ብሓደ ሽሕ ዕጽፊ ከም ዝንኪ ይኣምን። ብተወሳኺ ኣንበጣ ብእስላምን ኣይሁድን ክብላዕ ዝኽእል ሓላል'ዩ ይብል። ኣብዚ ሕጂ እዋን እትነብርሉ ሃገር ይውስኖ ድኣ'ምበር ኣብ ዕዳጋ ዝርከብ መግቢ ኮይኑ'ዩ። ንኣብነት ኣብ ብሪጣኒያ ብኦንላይን ካብ EatGrub ምእዛዝ ይክኣል። ኣብ ኤውሮጳ ኣብዚ ዓመት ኣንበጣን ናይ መግቢ ሓሰኻን ክብልዑ ይኽእሉ'ዮም ተባሂሉ። ዋይሴክት ዝተባህለ ፈረንሳዊ ትካል ኣብ ገለ ሓይሊ ወሃብቲ በሽኩቲ፣ ፓስታን በርገርን ዝርከቡ ፕሮቲን ዘለዎም ሕሩጻት ካብ ናይ መግቢ ሓሰኻ የፍሪ ኣሎ። ፈጻሚ ስራሕ ኣንቶኒ ሁበርት እቲ ፕሮቲን \"ተፈጥሮኣዊ\" እዩ ይብል። ኣብ ቀረባ ዩኒቨርሲቲ ማስትሪችት ዘካየዶ መጽናዕቲ ብምጥቃስ እቲ ናይ ሓሳኹ ፕሮቲን ማዕረ ኣብ ጸባ ዘሎ ፕሮቲክ ጠቓሚ'ዩ ብምባል \"ክልቲኦም ኣብ ስርዓተ ምሕቓቕ መግቢ ማዕረ እጃም ኣለዎም\" ኢሉ። ዳይሬክተር ኮሚዩኒኬሽን ብሪትሽ ኒዩትሪሽን ብሪድጌት ቤኔላም ግን ሕጂ'ውን ተወሳኺ መጽናዕቲ ከድሊ'ዩ ትብል። እቲ ፕሮፌሰር መይ ዘልዓሎ ኣለርጂ ብኣብነት ብምጥቃስ፡ ጽግዕተኛ ሓሳኹ ኣነብ ሰብ ከተሓላልፉ ዝኽእሉ ስለ ዘለው ክብልዑ ኣብ ዝኽእሉ ዓይነታት ሓሰኻ ገና ዘይተመለሱ ሕቶታት ምህላዎም ትጠቅስ። \"ሓሳኹ ግድን ክብልዑ እንተኾይኖም ገለ ክፍትሑ ዝግብኦም ማሕለኻታት ኣለው'ዮም\" ኢላ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58645964"} {"headline":"ብዘይ ንህቢ መዓር ብዘይ ላሕሚ ጸባ ይርከብ'?","content":"ኣብ ብዙሓት ቤተ ፈተነ ዝተፈላለየ መግብታት ክፍሪ ርኢና ንኸውን ኢና። ሓደ ካብኡ ኣብ ኣብያተ ፈተነ ዝፈሪ ስጋ እዩ፤ ሕጂ ኸኣ ጸባን መዓርን ሪግኡ ዝኣኸለ ክመስል ኣብ ኣብያተ ፈተነ ክፈሪ ጀሚሪ ኣሎ። ዳርኮ ሚኒዲች ኣሕምልቲ ጥራይ እዩ ዝምገብ። ዝኾነ ፍርያት ናይ እንስሳ ኣብዛ ኣፉ ኣየቕርባን'ዩ፤ ዋላ መዓር። እቲ ብዘይ ንህቢ መዓር ከፍሪ ዝወጠነ ዳርኮ ሚኒዲች፡ ሜሊባዩ ዝተባህለ ትካል ከፊቱ ይርከብ። እቶም ኣብ ኣብያተ ፈተነ ዓይነታት መግቢ ክሰርሑ ዝፍትኑ ትካላት ጣዕምን ቅርጽን ናይቲ ዝሰርሕዎ ነገር ልክዕ ከምቲ ተፈጥሮኣዊ ክገብርዎ'ዮም ዝጽዕሩ። ዳርኮ ሚኒዲች ዝመስረቶ ትካል'ውን ብተመሳሳሊ ነቲ ኣብ ቤተ ፈተነ ዝሰርሖ መዓር፡ ጣዕሙ፣ ቅርጹን ሎጎግትኡን ልክዕ ከምቲ ንህቢ ዝሰርሖ መዓር ንምግባር'ዩ ዝጽዕር። ቅድሚ ሕጂ ስጋ፣ ጸባን ካልእን ኣብ ኣብያተ ፈተነ ተሰሪሖም ነይሮም እዮም። ኣብ ለንደን ዝርከብ ነቤተር ዴሪ'ውን ኣብ ቤተ ፈተነ ጸባ፤ ርግኦን ኣጅቦን ሰሪሑ ንዕዳጋ ኣብ ምቅራብ ይርከብ። ነቤተር \"ልክዕ ከምቲ ቢራ ኣብ ፋብሪካ ዝስራሕ ጸባ ውጽኢቱን'ውን ኣብ ፋብሪካ ንሰርሖ ኣለና\" እዩ ዝብል። እንቋቁሖ'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ቤተ ፈተነ ተሰሪሑ ናብ ዕዳጋ ቀሪቡ'ዩ። ኣብ ሳንፍራንሲስኮ ዝርከብ ክላራ ፉዱስ ዝተባህለ ትካል ኣብ ቤተ ፈተነ እንቋቁሖ የፍሪ ኣሎ። ፍርያቱ ኣብ 2028 ናብ ዕዳጋ ብምቅራብ ኸኣ ቀዳማይ ትካል ንክኸውን ወጢኑ ይሰርሕ ኣሎ። ላዕለዋይ ሓላፊ እዚ ትካል ኣርትሮ ኢሉዞዶ እቲ ኣብ ትካሎም ኣብ ቤተ ፈተነ ዘፍርይዎ እንቋቁሖ ቅርጹን ጣዕሙን ልክዕ ከምቲ ደርሆ ተፍርዩ እንቋቁሖ ከም ዝኾነ'ዩ ዝሕብር። መግቢ ኣብ ቤተ ፈተነ ምፍራይ ኣብ ምዕቃብ ከባቢ ዓቢ ግደ ከም ዘለዎ ዝሕብሩ'ውን ኣለዉ። ሕቡራት ሃገራት ውጽኢት ጸባን ስጋን ኣብ ምብእኣስ ክሊማዊ ለውጢ 14.5 ሚኢታዊት ከም ዝሕዙ ይጠቅስ። እቲ ኣብ ቤተ ፈተነ ማዓር ዘፍሪ ዘሎ ትካል ሜሊባዩ ካብ ዝመጽእ ዓመት ጀሚሩ ፍርያቱ ናብ ዕዳጋ ከም ዝዝርግሕ'ዩ ዝገልጽ። እቲ ጸባ ዘፍሪ ትካል'ውን፡ እቲ ኣብ ቤተ ፈተነ ዝፈሪ ርግኦ፣ ጸባን ኣጅቦን ካብ ኣሕምልቲ ስለ ዝስራሕ ነቶም ጸባን ውጽኢት ጸባን ዘይበልዑን ኣሕምልቲ ጥራይ ዝምገቡን ንክበልዕዎ ምቹእ ምዃኑ ይግለጽ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57111267"} {"headline":"ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ንስነ ጥበባዊ ኣቤል ተስፋየ ኣምባሳደር ሰናይ ተግባር ገይሩ ሓርይዎ","content":"ናይ 2020 ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ዝኾነን ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ኣቕራቢ ረድኤትን ሰብኣዊ ሓገዛትን ዝኾነ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም (WFP) ንውሩይ ትውልደ ኢትዮጵያዊ ስነ ጥበባዊ ኣቤል ተስፋየ ወይ ድማ ‘ዘ ዊክንድ’ ኣምባሳደር ሰናይ ተግባር እቲ ትካል ንክኸውን ከምዝሓረዮ ብወግዒ ኣፍሊጡ። ዝተሓረየሉ ምኽንያት ድማ ኣብ ዓለም ጥምየት ንኸብቅዕ ድምጺ ይኸውን ስለዘሎ’ዩ ኢሉ። ኮኸብ ሙዚቀኛ ኣቤል ተስፋየ ኣብ ናይ ስነ ጥበብ መዋእሉ ኣብ ስራሕቲ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛት ብተዋፋይነት እንዳሓገዘ ከምዝመጽአ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ 3 ሚልዮን ዶላር ለጊሱ’ዩ። ቅድሚ ኣዋርሕ ድማ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ትግራይ ብዘጋጠመ ኵናት ንዝተጎድኡ ሰባት ሓገዝ ዝውዕል ሓደ ሚልዮን ዶላር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ሂቡ ምንባሩ ይፍለጥ። ከም ሓደ ናብ ካናዳ ዝተሰደደ ትውልደ ኢትዮጵያዊ እቲ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ኵናት ብውልቁ’ውን ከምዝሃሰዮ ድሕሪ ምግላጽ እቲ ኩነታት ምስ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዘለዎ ዝምድና ከሐይል ከምዝገበሮ ተዛሪቡ። “ፕሮግራም ምግቢ ዓለም መዓልታዊ ህይወት ሰባት ንምድሓን ቅልጡፍን ጠቓምን ስራሕቲ ይውግን ስለዘሎ ሓገዝ መግቢ ንዘደልዮም ሰባት ብምሕጋዘይ ጽቡቕ ስምዒት’ዩ ዝስመዓኒ። ምስ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዘሎና ዝምድና መቐጸልታ ናይቲ ሓገዝ ንዘደልዮም ወገናት ብምርዳእ ዓጸቦ ንኸብቅዕ ናይ እንገብሮ ጻዕሪ’ዩ” ክብል ዘ ዊክንድ ተዛሪቡ። ካብ ኢትዮጵያውያን ስድርኡ ኣብ ካናዳ ተወሊዱ ዝዓበየ ኣቤል ተስፋየ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዘ ኣብ ዓውዲ ሙዚቃ ዓብይ ቦታ ዝወሃቦም ሽልማታት ኤምቲቪ፣ ቪኤምኤን ሙዚቃ ኣሜሪካን ረኺቡ እዩ። ድምፃዊ ኣቤል፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ብኣሜሪካውያን ልዑል ቦታ ኣብ ዝወሃቦ ፀዋታ ኩዕሶ እግሪ ሱፐር ቦውል ምድራፉ፡ ዓብይ ናእዳ ተጎናፂፉ እዩ። ሓላፊ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዴቪድ ቢስለይ ብወገኑ ን ዘ ዊክንድ “ናብ ስድራ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም እንኳዕ ብድሓን መጻእኻ” ድሕሪ ምባል ኣብ ዓለም ንዝጠመዩ ሰባት ንምሕጋዝ ዘርኣዮ ተበግሶ መነቓቕሒ ከምዝኾነ ጠቒሱ። ኣብ ዓለም መዓልታዊ 811 ሚልዮን ሰባት ብጥሙዮም ናብ ዓራቶም ከምዘምርሑን ካልኦት 270 ሚልዮን ሰባት ድማ ንዓጸቦ ይቃልዑ ከምዘለዉ ዝሓበረ እቲ ሓላፊ: ህይወት ሰባት ንምድሓን ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ከምዘለዎን ኩሉ ናብቲ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዘካይዶ ዘሎ ጎስጓስ ንኽጽምበር ጸዊዑ። ኣብ ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዓመታዊ ኣብ ልዕሊ 80 ሃገራት ንዝቕመጡ ልዕሊ 100 ሚልዮን ሰባት ህይወት መቐነይ ረድኤት ምግቢ ከምዝቕርብ ይፍለጥ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58854900"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ውድብ ምግቢ ዓለም ኣብ ትግራይ ዘሎ ምግቢ ዓርቢ ክውዳእ እዩ ኢሉ","content":"ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዴቪድ ቢዝሊይ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ዘለዎ ክዙን ምግቢ ኣብ ዝቕፅል ዓርቢ ይውዳእ ከምዘሎ ኣጠንቂቑ። ምግቢ ንዘድልዮም ሰባት ሓገዝ ንምቕራብ ኣብ መዓልቲ 100 መኻይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ከምዝግባእ ድማ ገሊፁ። ኣብዚ ሕዚ እዋን 170 መኻይን ምግቢ ኣብ ጎረቤት ክልል ዓፋር ተዓጊተን ክንቀሳቐሳ ከምዘይኽኣላ፡ እቲ ዳይሬክተር ብመገዲ ትዊተር ሓቢሩ። ኣብ ትግራይ ሰባት ይጠምዩ ከምዘለዉ ዝገለፀ ዴቪድ ቢዝለይ፡ እዘን ተዓጊተን ዘለዋ መኻይን ክንቀሳቐሳ ክፍቀደለን ፀዊዑ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ መዓስከራት ስደተኛታት፡ ምግብን ማይን ክውዳእ ከምዝኽእል ገሊፁ። ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣስታት 24 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ዘዕቑብለን መዓስከራት ክበፅሕ ከምዘይኸኣለን ኣብተን መዓስከራት ምግብን ማይን ተወዲኡ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሉ። እቲ ኮምሽን፡ ኣብ መዓስከራት ማይ ዓይኒ፣ ዓዲ ሓሩሽን ከባቢኡን ጎንፂ ከምዘሎን ክልተ ስደተኛታት ተቐቲሎም ኢሉ። ኣብ ማይ ዓይንን ዓዲ ሓሩሽን ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ዕደላ ምግቢ ሰሙናት ከምዝሓለፉ ወሃቢ ቃል ኮምሽን ስደተኛታት ባባር ባሎች ተዛሪቡ። እቲ ወሃቢ ቃል፡ \"ንስደተኛታት ዝተውሃበ ምግቢ ተወዲኡ ክኸውን ስለዝኽእል፡ ሓደጋ ጥሜት ከጋጥም ይኽእል እዩ። ቀረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ'ውን ይንክይ ኣሎ\" ኢሉ። ብህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ፡ ኣብ ጉዳይ እቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ምምዝባል ኣብ ትግራይ ዘለዉ ስደተኛታትን ኣብ ልዕሊኦም ተፈፂሙ ዝተብሃለ መጥቃዕትን ከምዘሻቐሎ ምግላፁ ይዝከር። ተወካሊት ውድብ ጥዕና ዓለም ፋዱላ ቻኢብ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኣገልግሎት ጥዕና ኣዝዩ ውሱን ምዃኑ ገሊፃ። \"ኣብ ትግራይ ዘሎ ቀረብ ኣግልግሎት ጥዕና ኣዝዩ ብዘሻቕል ኩነታት ድሩት እዩ። መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ኣይረኽቡን\" ኢላ። ንሞት ከቃልዕ ዝኽእል ቁፅሪ ብከቢድ ሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ዘጋጠሞም ቆልዑ ይውስኽ ከምዘሎ ድማ ገሊፃ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57988176"} {"headline":"ዓመታዊ ልዕሊ 900 ሚልዮን ቶን ምግቢ ከም ዝጓሓፍ መጽናዕቲ ሓቢሩ","content":"ኣብ ዓለም ዓመታዊ ልዕሊ 900 ሚልዮን ቶን ምግቢ ከምዝጓሓፍ መጽናዕቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ፡፡ ፕሮግራም ከባቢ ሕቡራት ሃገራት ዘውጸኦ ሓበሬታ ብኽነት ምግቢ ከምዘርእዮ፡ ካብቲ ኣብ ድኳናት፣ ቤት መግብታትን መንበሪ ኣባይትን ንተጠቀምቲ ዝዳሎ ምግቢን፡ እቲ 17 ምኢታዊት ብቐጥታ ኣብ እንዳ ጉሓፍ እዩ መዕለቢኡ፡፡ ካብዚ እቲ 60 ምኢታዊት ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ዝባኽን እዩ፡፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዝተነበሩ ዕጽዋታት ግና ትጽቢት ዘይተገበረሉ ለውጢ ኣምጺኦም ኣለዉ፡፡ ብውሑድ ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም ኣብ ገዛ ዝባኽን ምግቢ ቀኒሱ ኣሎ፡፡ እዚ ውጽኢት ድማ ሰባት ኣብ ዝሽምትዎም ነገራትን ኣመጋግበኦምን ዝያዳ ብመደብ ምኻዶም ዝወለዶ ከምዝኾነ እቲ መጽናዕቲ ይገልጽ፡፡ ብተወሳኺ ድማ ፍሉጣት ከሸንቲ ኣመና ዘይባኽኑ ምግቢታት ኣብ ምፍላጥ ሓጊዞም እዮም፡፡ እቲ መጽናዕቲ ቅድም ክብል ካብ ዝተገመተ ንላዕሊ ጸገም ከምዘሎ ዘርእይ ከምዝኾነ፡ ካብ ትካል ራፕ ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፈ ሪቻርድ ስዋነል ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡ ‘‘እቲ በቢዓመቱ ዝባኽን ዘሎ 923 ሚልዮን ቶን ምግቢ፡ ሓድሕደን 40 ቶን ዝስከማ 23 ሚልዮን መካይን ጽዕነት ዝመልእ እዩ፡፡ እዚአን ነንሓድሕደን ተጸጋጊዐን ንመሬት ሸውዓተ ግዘ ክዘራኣ ዝኽእላ እየን’’ ኢሉ፡፡ ቅድም ክብል እቲ ጸገም ንሃፋትም ሃገራት ጥራሕ ዝምልከት ተገይሩ እዩ ዝውሰድ ነይሩ፤ ካብ ክበልዕዎ ዝኽእሉ ንላዕሊ ዝሽምቱ ተጠቀምቲ ዘለዉወን ስለዝኾና፡፡ ኮይኑ ግና፡ እቲ ጸገም ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ከምዘኾነ እዚ መጽናዕቲ የመላኽት፡፡ ብርግጽ እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብ መንጎ ሃብታማትን ትሑት ኣታዊ ዘለወን ሃገራትን ዘሎ መጠን ፍልልይ ናይ'ቲ ጸገም ኣብ ምብራህ ውሱንነት ኣለዎ፡፡ ንኣብነት እቲ መጽናዕቲ ኣብ መንጎ ‘‘ብድልየት ዝባኽንን ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝባኽንን’’ ምግቢ ዘሎ ኣፈላላይ ኣየቐመጠን፡፡ ካልእቲ ተሳታፊት እቲ መጽናዕቲ ማርቲና ኦቶ እውን ኣብዚ ጉዳይ ዓሚዩቕ መጽናዕቲ ከምዘይገበሩ ንቢቢሲ ገሊጻ፡፡ ሓላፊ ፕሮግራም ከባቢ ሕቡራት ሃገራት ኢንገር ኣንደርሰን፡ ሃገራት ኣብ 2030 መጠን ዝባኽን መግቢ ብፍርቂ ክንክያ ክጽዕራ ከምዘለወን ጸቕጢ ንምፍጣር ይፍትን ኣሎ፡፡ · ነታ ክትምገብዋ እትኽእሉ መጠን መድብዋ፡ ነታ እትጥቀምዎ መጠን ጥራይ ዓድጉ · መዝሓሊኹም ግቡእ ዛሕሊ ክሕልዎ ግበሩ · መግብታት መዓዝ መዓልቶም ከምዝሓልፎም ቀዲምኩም ፍለጡ እቲ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም፡ ሓደ ማእከላይ ቤተሰብ ክምገቦ ዝኽእል ምግቢ ጥራሕ ብምሽማት ዓመታዊ ኣስታት 700 ፓውንድ ክቑጥብ ይኽእል፡፡ ኮቪድ-19 ዝፈጠሮ ክልከላታት፡ ነቲ ክንከላኸሎ እንኽእል ብኽነት ምግቢ፡ ከመይ ምትራፍ ከምዝከኣል ኣርእዩ እዩ፡፡ ኣብ እዋን ዕጽዋ፡ እተብስሎ ምግቢ ምትላም፣ ብኣግባቡ ምቕማጥን በብእዋኑ ምስራሕን ምስ 2019 እንትነጻጸር መጠን ሰባት ዘባኽንዎ ምግቢ ብ 22 ምኢታዊት ቀኒሱ እዩ፡፡ ‘‘ኣብ ገዛና ተወሲንና ምንባርና በብእዋኑ ናይ ምብሳልን ብትልሚ ናይ ምምጋብን ባህርያትና ኣማዕቢልዎ እዩ’’ ዝብል ውጽኢት መጽናዕቲ እቲ ትካል፡ ኮይኑ ግና ሰባት ናብ ንቡር ህይወቶም ምምላስ ብምጅማሮም እቲ ጸገም ክውስኽ ተኽእሎታት ኣሎ ኢሉ፡፡ ኣብዛ ብሚልዮን ቶናት ዝስፈር ምግቢ ዝድርበየላ ዘሎ ዓለም፡ ኣብ 2019 ኣስታት 690 ሚልዮን ሰባት ብጥምየት ተጠቒዖም እዮም፡፡ እዚ ለበዳ እንተብቅዕ እውን ቁጽሪ ዝጠምዩ ሰባት ብዓብዪ ክውስኽ ከምዝኽእል ይግመት፡፡","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56290065"} {"headline":"ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ጥምየት ካብ ዘጋጥመን 10 ሃገራት ሓንቲ ተባሂላ","content":"ድኽነት ኣብ ምውጋድ ኣድሂቡ ዝሰርሕ ዓለማዊ ትካል ግብረሰናይ ኦክስፋም፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝሞቱ ሰባት ብጥምየት ዝሞቱ ክበዝሑ ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቑ። \"ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ብዝስዕብ ጥምየት፡ መዓልታዊ 12,000 ሰባት ክሞቱ ይኽእሉ እዮም\" ዝበለ እቲ ትካል፡ እዚ ቁጽሪ ድማ ልዕሊ እቶም በቲ ሕማም ዝሞቱ ከምዝኸውን ሓቢሩ። ኦክስፋም ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ጥምየት መንቀሊ ዝበሎም ምኽንያታት ዘርዚሩ'ሎ። ብስፍሓት ዘጋጥም ስእነት ስራሕ፣ ብምኽንያት ኣዋጃት ዕጽዋ ከጋጥም ዝኽእል ምንካይ ዓቕሚ ኣፍረይቲ መግቢ ከምኡ'ውን ኣብ ምክፍፋል ረድኤት ዘጋጥሙ ማሕለኻታት ካብቶም ምኽንያታት ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ። በዚ ከጋጥም ዝኽእል ጥምያት ብዝያዳ ክህሰያ ዝኽእላ ብዝብል ድማ 10 ሃገራት ኣነጺሩ። ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ሃገራት እያ። የመን፣ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ፣ ቭነዝዌላ፣ አፍጋኒስታን፣ ምዕራብ ኣፍሪቃ ሳሕል፣ደቡብ ሱዳን፣ ሶርያ፣ ሱዳንን ሃይቲን ከኣ እተን ዝተረፋ ሃገራት እየን። ቅድም ክብል'ውን፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ ዓለምና ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ መጠነ-ሰፊሕ ሓደጋ ሕሱም ጥምየት ኣንጸላልዩዋ ከምዘሎን ካብዘን ሃገራት ሓንቲ ድማ ኢትዮጵያ ከምዝኾነትን ገሊጹ ነይሩ። ብገምጋም ትካል መግቢ ዓለም፡ ብዝሒ ብጥምየት ዝሳቐዩ ሰባት ካብ 135 ሚልዮን ናብ 250 ሚልዮን ክብ ክብል ከምዝኽእል'ውን ኣሚቱ እዩ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53346870"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፡ ኣብ ልዕሊ 3.5 ሚልዮን ኩንታል እኽሊ ሓደጋ ኣውሪዱ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሰነ 2011 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ካብ የመን ብሶማሌ ላንድ ኣቢሉ ናብ ክልላት ዓፋርን ሶማሌን ዝኣተወ ወራር ዕስለ ኣንበጣ በረኻ 3.5 ሚልዮን ኩንታል እኽሊ ከም ዘዕነወ ተገሊጹ። እዚ፡ ኣብቲ እዋን ክርከብ ካብ ዝተሓሰበ ሓፈሻዊ ምህርቲ ክልተ ሚእታዊት ዝኸውን በቲ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ተበሊዑ ኣሎ ማለት እዩ። እቲ ዕስለ ኣንበጣ ካብ 70 ክሳብ 100 ሚእታዊት ምህርቲ ከጥፍእ ይኽእል ነይሩ ዝበለ ዳይሬክተር ሓለዋ እትዋት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣቶ ታምሩ ከበደ፡ ሰፊሕ ምርብራብ ብምግባር ግን ነቲ ሓደጋ ምንካይ ተኻኢሉ እዩ ኢሉ። ኣብ ክልላት ዓፋርን ሶማሌን ናይ ምክልኻል ስርሓት ክስራሕ እንተጸንሐ'ውን እቲ ካብ ዓፋር ዝተረፈ ናብ ወሎን ደቡብ ትግራይን ብምኻድ ኣብ ሕርሻ ከቢድ ጉድኣት ኣውሪዱ'ዩ። ካብ ክልል ሶማሌ ዝተላዕለ ድማ ናብ ምብራቕን ምዕራብን ሃረርጌ ብምኻድ ዘራእቲ ኣዕኒው። እቲ ዳይሬክተር ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብዝተሰርሐ ስራሕቲ ምክልኻል እቲ ዕስለ፡ ዓመት ሙሉእ ካብ መገሃጫ ሓሊፉ ኣብ ዘራእቲ እኽሊ ዝበጽሖ ጉድኣት የለን ኢሉ። ካብ ወርሒ ሰነ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ክልላት ዓፋርን ሶማሌን ዝርግሐ እቲ ዕስለ ናይ ምክልኻል ንጥፈታት እንተተሰርሐ'ውን ክተርክበሉ ካብ ዘይትኽእል ኣጸገምቲ ቦታታት እናተላዕለ ኣብ ምብራቕ ኦሮሚያ፣ ድሬዳዋ፣ ኣብ ምዕራብ ኣምሓራ ድማ ኣብ ወሎ፣ ቃሉን ኣርጎባን ብዝተወሰነ መልክዑ ምህርቲ ከም ዝነከየ ተዛሪቡ። ኻልኣይ ዙርያ ወራር እቲ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ከም ዝተርኣየ ዘዘኻኸረ ኣቶ ታምሩ፡ ኣብ ዘራእቲ ሓደጋ ከይኣብጽሐ ምክልኻል ተኻኢሉ'ዩ ኢሉ። ኣብ ወርሓት ክረምቲ 2012 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ ክልላት ሶማሌን ዓፋርን ሰፊሕን ብነፋሪት ዝተሓገዘን ዳህሳስን ናይ ምክልኻል ስራሕትን ይስራሕ ኣሎ ዝብል ኣቶ ታምሩ፡ \"ሎሚ ቑጽሪ መካይንን ነፈርትን ወሲኽና ኢና፤ ተሳትፎ ክልላት'ውን ዝሓሸ'ዩ\" ይብል። ነቲ ዕስለ ንምክልኻል ጎና ጎኒ ሰባት ምውፋር ብኢድ ዝተሓዙ ብርክት ዝበሉ ናውታትን ከምኡ'ውን ኬሚካል ዝነጽጋ 4 መካይንን ክልተ ነፈርትን ተዳልየን። \"ሕጂ ኣብ ድሬዳዋ ሓንቲ ነፋሪት ኣላትና። ኣብ ኮምቦልቻ'ውን ካልእ ኣላ። ብጅቡትን ኤርትራን ዝመጽእ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ስለ ዝህሉ'ውን ሓንቲ ነፋሪት ኣብ ሰመራ ኣቐሚጥና ኢና። እቲ ናይ ምክልኻል ምድላዋት ድማ ብቐጻሊ ክስራሕ እዩ\" ኢሉ ኣቶ ታምሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ምብራቕን ሰሜን ምብራቕን እታ ሃገር ኣብ ዘለዋ ክልላት ሶማሌን ዓፋርን ብሰፊሑ ኣትዩ ኣሎ። እቲ ካብ ሶማሌ ዝብገስ ኣንበጣ ከባቢታት ባሌን ሃረርጌን ዘጥቅዕ ኮይኑ እቲ ካብ ዓፋር ዝብገስ ዘሎ ድማ ከባቢታት ትግራይን ወሎን ይወርር ኣሎ። ኣቶ ታምሩ ከም ዝብሎ እንተኾይኑ ኣብ ቀረባ ግዜ'ውን ብኬንያ ካብ ቱርካና ተላዒሉ ናብ ደቡብ ኦሞ ዝኣቱ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ስለ ዘሎ ኣብ ኣርባ ምንጭ ሓንቲ ነፋሪት ተዳሊያ። እቲ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ናይ ምኻድ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ግን ድማ ካብቲ ዝኸይድ ብዝለዓለ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣቱ እዩ እቲ ዝበዝሐ ኢሉ። \"ኣብዚ ጽቡቕ ናይ ምክልኻል ስራሓት እንተተሰርሐ'ውን ናብ ኤርትራን ካልእ ከባቢታትን ዝሃድም'ውን ኣይስኣንን። ሕጂ ብብዝሒ ካብ ኬንያ፣ ሶማሊ ላንድን ጅቡትን ናብ ኢትዮጵያ ይኣቱ ኣሎ። ብንፋስ ድማ ናብ ሰሜንን ምብራቕን ክፋላት ኤርትራ ናይ ምኻድ ተኽእሎ ኣለዎ\" ይብል ኣቶ ታምሩ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53870047"} {"headline":"ኣብ ፓርላማ ኣንበጣ በረኻ ሒዙ ዝኣተወ ኣባል ባይቶ","content":"ኡጋንዳዊ ኣባል ባይቶ፡ ብጠረሙዝ ብዝተሰርሐ መትሓዚ ብርክት ዝበሉ ኣንበጣ ሒዙ ናብ ፓርላማ እታ ሃገር ኣቲዩ። ንሱ ነዚ ክገብር ዘገደዶ ምኽንያት፡ መንግስቲ እታ ሃገር ኣንጻር እቲ ኣብ ልዕሊ ዘራእቲ ብዙሕ ጉድኣት ዘስዕብ ዘሎ ዕስለ ኣንበጣ ቅልጡፍ ስጉምቲ ብዘይምውሳዱ እዩ። እቲ ደቪድ ኦኣላ ዝተባህለ ኣባል ባይቶ፡ መንግስቲ ኣንጻር እቲ ወራር ኣንበጣ ወፍሪ ከካይድ ኣተሓሳሲቡ። እዚ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝተብሃለ ወራር ኣንበጣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓብዪ ስግኣት ፈጢሩ ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝርአ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክኣቱ እንተዘይኽኢሉ፡ ኣብተን ሃገራት ዓጸቦ ከጋጥም ከም ዝኽእል ሕቡራት ሃገራት የጠንቅቕ። ኣብቲ ብሕጽረት መግቢ ዝሳቐ ዞባ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሶማል፡ ኬንያ፡ ታንዛንያን ኡጋንዳን ዝተኸሰተ ወራር ኣንበጣ፡ ኣብ ዘራእትን መጋሃጫን ዕንወት ኣስዒቡ ይርከብ። ዓለምለኻዊ ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት (ፋኦ)፡ ካብ ነፈርቲ መድሃኒት ንምንጻግ ምእንቲ ክከኣል ሓገዛት ክግበር ጻውዒት የቕርብ ኣሎ። እዚ ምስ ዘይኸውን ግና፡ እቶም ብኣማኢት ቢልዮናት ዝቑጸሩ ኣንበጣ ተራቢሖም ንዘስዕብዎ ዕንወት ገዚፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድሊ ፋኦ ሓቢሩ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51569485"} {"headline":"ለበዳ ኮሮናቫይረስን ወራር ኣንበጣ በረኻን፡ ቀጸልቲ ብድሆታት ኢትዮጵያን ኤርትራን","content":"ኣንበጣ ዝኾነ ዓይነት ድምጺ ዘይሰምዕ፣ ኣብ ጸልማት ከይተረፈ ዝበልዕ፣ ቑሪ ዝኽእል እንተዝኸውን ነይሩ፡ ብቐሊሉ ምብራር ኣይምተኽኣለን፡ ይብሉ ኣብ ትግራይ ብተበግስኦም ኣብ መኸተ እቲ ዕስለ ተዋፊሮም ዝነበሩ መናእሰይ። 'ኣንበጣ ዝኾነ ዓይነት ድምጺ ዝሰምዕ ባልዕ ምዃኑ ቐልጢፍና ንክነባርሮ ዓብዪ ዕድል ነይሩ' ክብሉ'ውንብል ተዘክርኦም ይዛረቡ። ነዚ ብክልል ዓፋር ኣቢሉ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ካብ ዝዓረፈሎም ከባቢታት ማእኸላይ ዞባ፣ ምብራቕ፣ ደቡብ ምብራቕን ካልኦትን ንምብራር ኣብ ዝተገብረ ፍሉይ ሓይሊ ትግራይን መናእሰይን ዝርከቡዎ ወፍሪ፡ ካብ መዐሸጊ ዝስተ ማይ ክሳብ ርችት፣ ሳክስፎንን ካልኦት ድምጺ ዘውጽኡ ዘበሉ ከባቢያዊ ናውታት ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ተዓዚብና። ወዲ 87 ዓመት ሻምበል ሃይለኪሮስ ፍስሃ፡ ቅድሚ 61 ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዝነበረ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ዘስዓቦ ሓደጋ ኣጸቢቖም ይዝክሩዎ። ዳግም ኣብ ዕድሚኦም ሓደገኛ ዕስለ ኣንበጣ ተኸሲቱ ምርኣይ ከስዕቦ ዝኽእል ጉድኣት ከም ዘተሓሳስቦም ክገልጹ እንከለው፡ ግን ድማ ዘራእቲ ኣብሪሱ 'ዳግማይ ዘመን ኣንበጣ' ከም ዘይብሃል ተስፋ ይገብር ይብሉ። \"እዚ ዘመን [ዘመን ኣንበጣ] እሞ ታይ ኢልካ ክትዝክሮ?\" ዝብሉ ሻምበል ሃይለኪሮስ፡ \"ቀደም ዘብጽሖ ጉድኣት ሕዚ መዚነ ክገልጾ ኣይክእልን፤ ዓብዪ ሓደጋ እዩ ነይሩ። ዓቕሚ፣ ዕያል ተሃልዩካ ትከላኸሎ እንተዘይሃሊዩካ ድማ ደው ኢልካ እተብልዐሉ ዘመን እዩ ነይሩ\" ብማለት ከቢድ እዋን ከም ዝተሓለፈ ይዝክሩ። ሎሚ ዘበን መናእሰይን ህዝብን ነቲ ዕስለ ኣብ ምክልኻል ዘርኣዮ ንጥፈት ከም ዘግረመሎም ብምግላጽ፡ \"ሎሚ ኢና ታሪክ ዝረኣና፤ ቐደም ኣብ ግራትካ ሓደጋ ከይበጽሓካ ምክልኻል እንተዘይኮይኑ፡ ዘይነበረ ኣይጸውን ህዝቢ ተሓባቢሩ ተኸላኺሉ ኣይፈልጥን። ሎሚ ግን ኣንበጣ ከም ናይ ወጻኢ ጸላኢ ህዝቢ ብሙሉኡ ወጺኡ ክሰጎ ምርኣይ ታሪኽ'ዩ\" ይብሉ ሻምበል ሃይለኪሮስ። ኣብ ከባቢ 50ታት ኣብ ኢትዮጵያ ወራር ዕስለ ኣንበጣ እንትኽሰት፡ ሰናይ ዘበን ይብሃል ከም ዝነበረ ዝዛረቡ ተመራማሪ ሕርሻ ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ፡ ካብ ምብራቕ የመን፣ ጂዳ ተበጊሱ ዝተባህለ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ልዕሊ ዝባጽሐ ዘርኢ መሸላ ሃሰያ ከውርድ ከም ዝርኣዩ ተዘክርኦም ይዛረቡ። \"ርዱእ ብዝኾነ መዐቀኒ ሕዚ ኮይንካ ክትሪኦ ከለኻ ሽዑ ዝነበረ ምህርቲ ኣብሪሱዎ'ዩ። ብፍላይ ጽቡቕ ዘርኢ መሸላ ባጺሑ ሰናይ ዘበን እናተባህለ ከሎ መብዛሕትኡ ኣብ ዝባጽሐሉ እቲ ኣንበጣ ጥዋዕዋዕ ምስ ኣበሎ፡ እቲ ህዝቢ ናብ ጥምየት ተቓሊዑ፤ ልዑል ውሽጣዊ ምዝንባል ምንባሩ ይዝክር\" ይብሉ። ኣብቲ ግዜ፡ ዝተወደበ ህዝብን ኣሰራርሓ ብዘይምንባሩ ሓደጋ እቲ ዕስለ ኣብ ምክልኻል ዝተርኣየ ጥርኑፍ ምንቅስቓስ ብዘይምንባሩ ከቢድ ማሕበራዊ ቅልውላው ክፍጠር ክኢሉ'ዩ። \"ዋላ'ኳ ሰፊሕ ኣይኹን ብባህላዊ መገዲ ጡሽ ገይርካ እቲ ኣንበጣ ንምብራር ፈተነ ይግበር ነይሩ። ካብ ማእከል ዓዲ፣ ሃረርጌ፣ ኣርሲ፣ ባሌ መጺኦም ዝመሃሩ ዝነበሩ ደራሳ ዝበሃሉ ተመሃሮ ብወገኖም ብዝሒ ስለ ዝነበሮም ጻዕዳ ጨርቂ ገይሮም ነቲ ኣንበጣ ካብቲ እኽሊ ዘለዎ ከባቢታት ናብ ጎቦ ክኸይድ ይገብሩ ነይሩ። ግን ሽዑ እቲ ህዝቢ ብዝሒ'ውን ስለ ዘይነበሮ ምቁጽጻር ስለ ዘይተኽኣለ መሸላ ብብዝሒ ተበሊዑ ምንባሩ ይዝክር\" ኢሎም። ሕጂ፡ ወዲብካ ክተንቀሳቕሶ እትኽእል ህዝብን ቴክኖሎጂካዊ ሓገዛትን ብምህላዮም ምስ ስግኣታቱ ብውሑድ ህዝቢ ንጥምየትን ስደትን ክቃልዐሉ ዝኽእል ዕድል ከም ዘሎ እዞም ወሃብቲ ርኢይቶ ይገልጹ። \"ብመሰረቱ ንቕሓት ናይቲ ህዝቢ ንንበይኑ እዩ። ሎሚ ዘበን እኽሊ በላዒ ከይበልዖ ኢሉ ንህዝቢ ዝሓስብብ መንግስቲ'ውን ንርኢ ኣለና፤ እቲ ቀደም ግን መድሓኒት ዝነጽጋ ነፈርቲ እንተነበራ'ውን መንግስቲ ነይሩ ኢልና ንጸውየሉ ኣይነበረይ። ብጥቕሉሉ ናይ ሎሚ ዘበን ኣንበጣን ናይ ቀደም ኣንበጣን፣ ናይ ሎሚ ዘበን ህዝብን ናይ ቀደም ህዝብን፣ ናይ ሎሚ መንግስትን ናይ ቀደም መንግስትን ፈጺሞም ኣይራኸቡን\" ይብሉ ሻምበል ሃይለኪሮስ ፍስሃ። እዚ ኣብ ልዕሊ ኣእኻልን መሃጋጫ ጥሪትን ዕንወት ዘውርድ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ዘይተርኣየ ምዃኑ ሰብ ሞያ ይገልጹ። ብመሰረት መጽናዕቲ ውድብ መግብን ሕርሻን (ፋኦ) ሓደ ዕስለ ኣንበጣ፡ ናይ ዓመት መግቢ ናይ 2,500 ሰባት ክበልዕ ይኽእል። ኩለ መዳያዊ ምንቅስቓስ ዓለም ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ተቖሪኑ ኣብ ዘለሉ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝቕጽል ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ኣዝዩ ከም ዘሻቐሎ ዝገልጽ ትካል መግብን ሕርሻን ዓለም፡ ብምኽንያት እዚ ሓደ ሚሊዮን ዝጽግዑ ኢትዮጵያውያን ህጹጽ ሓገዝ መግቢ ከም ዘድልዮም ኣጠንቂቑ። ክልል ሶማሌ እቲ ኣዝዩ ዝተጸለወ ከባቢ ኮይኑ፡ ኦሮሚያን ድሬዳዋን፣ ዓፋር፣ ኣምሓራን ትግራይን ከምኡ'ውን ክልል ህዝብታት ደቡብ ብዕስለ ኣንበጣ በረኻ ተወሪሮም ከም ዘለው ሓበሬታ እቲ ትካል የመልክት። ኣብዚ እዋን እዚ እቲ በላዕተኛ ባልዕ ኣብ ሶማልያን ኢትዮጵያን ዕንወት ኣብጺሑ ናብ ኬንያ ሰጊሩ ዘሎ ዕስለ ኣንበጣ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ሶማልን ካብቲ ቅድሚ 25 ዓመት ዝተራእየ ወራር ዝኸፍአ ክኸውን እንለከሎ ኣብ ኬንያ ግን ቅድሚ ሰብዓ ዓመት እንተዘይኮይኑ ከምዚ ኣይተራእየን። ኣብ መፋርቕ እቲ ዝሓለፈ ወርሒ ዘውጽኦ ጸብጻብ ከም ዘመላኽቶ፡ ኣስታት 200 ሽሕ ሄክታር ተሓራሳይ መመሬት ብምውራር ልዕሊ 356 ሚሊዮን ቶን ዘርኢ መሸላ፣ ዕፉንን ስርናይን ኣብሪሱ'ዩ። ክልላት ኦሮሚያ፣ ሶማሊን ትግራይን እቲ ዝለዓለ ክሳራ ዘጋጠመን ክልላት ምዃነን ይጠቅስ። ብተወሳኺ 1.3 ሚሊዮን ቶን ዝጽጋዕ መጋሃጫ ብምኽንያት እቲ ዕስለ ኣንበጣ ጉድኣት በጺሑዎ'ዩ። ተወካሊት ትካል መግብን ሕርሻን ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ወይዘሮ ፋጡማ ስዒድ፡ \"ወራር ኣንበጣ በረኻ ንምክልኻል ጻዕሪ ይግበር'ኳ እንተሃለወ፡ ለበዳ ኮቪድ-19 ዝጋፍሐሉ ዘሎ እዋን ብምዃኑ ኣብተን ብወራር ኣንበጣ በረኻ ተሃስየን ዘለዋ ክልላት ዝነብሩ ሰባት ምሕጋዝ ከድሊ'ዩ\" ኢላ። ክልቲኦም ኣብ ናብራ እቲ ገባርን ናይ ገጠር ቁጠባን ሰፊሕ ጉድኣት ከምጽኡ ከም ዝኽእሉ ሕዚ ምግማት ይከኣል'ዩ ዝብሉ ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ፡ ብወፍሪ ንከይትከላኸሎ ድማ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምትሕልላፍ ጸገማት ክፈጥር ዝኽእል ምዃኑ ኣጸጋሚ ከም ዝገብሮ ይዛረቡ። \"እቱ ገባር ግን ኣብ ሕርሻ ቦትኡ ምስ ቤተሰቡ ኮይኑ ተረሓሒቑ ክሰርሖ ዝግባእ ነገር ክህሉ'ዩ። በዚ ብዝተወሰነ መልክዑ ሓደግኡ ክንከላኸሎ ንኽእል ኢና፤ እቲ ጸገም ግን ብሓቂ'ውን ከቢድ እዩ። እቲ ዕስለ ኣንበጣ ብዙሕ ሳዕቤን ከብጽሕ ከም ዝኽእል ሕብረተሰብ ብኣጋ ክርዳእ ብምግባባር ኣብ ከባቢኡ ክገብሮ ዝኽእል ምህዞ እናምሃዘ እንተከይዱ ክንከላኸለሉ እንኽእል መገዲታት ክህሉ'ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ\" ይብሉ። እዚ ብዙሕ ግዜ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝኽሰት ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ካብ የመንን ስዑዲ ዓረብን ዝብገስ ምዃኑ ዝገልጽ ትካል መግብን ሕርሻን ዓለም [ፋኦ]፡ እዚ ናይ ሎሚ ዘበን ድማ ብርቱዕን ሰፊሕን ከም ዝኾነ የመልክት። ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተደራቢ ስግኣት ህልውና ሰባት ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ እቲ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ብሓባር ወፊርካ ንምክልኻል ኣጸጋሚ ከም ዝኾነ ዝጠቕሱ ፕሮፌሰር ምትኩ፡ ብኣጋ ግን ሓረስታይ ዘድልዮ ናይ ምህርቲ መሰሰኒ ናውቲ ብግዝኡ ክበጽሖ ምግባር ከድሊ እዩ ይብሉ። ኮሮናቫይረስ'ውን ቐታል ኣብራስን ምዃኑ፤ ኣንበጣ ዝብሃል ወራሪ እኽልን መጋሃጫን'ውን ከምዘሎ ኣቐዲሙ ክፈልጦ ክግበር ኣለዎ። ዓብዪ ጉድኣት ከም ዘብጽሕ ኣንይንጠራጠር፤ ግን እቲ ግዜ ምስቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ዝወዳደር ስለ ዘይኮነ፡ ቅድመ ምድላው ክግበር ኣለዎ\" ይብሉ። ብኢድካ ብምንፋሕን መካይን ብምጥቃምን ወይ'ውን ብነፈርቲ ጌይርካ ኬሚካል ምንጻግ፡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን መጠነ ሰፊሕ ዝኾነ ዕስለ ኣንበጣ ምቕታል ስለ ዝከኣል፡ ፋኦ ሰብ ሞያ እቲ ዕስለ ንምውጋድ እዚ ሜላ ክጥቀሙ ይምዕድ። ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ትግራይ መብዛሕትኡ እቲ ኣንበጣ ዝተኸሰተሉ ከባቢ ብዙሕ ናይ ንህቢ ዕስለ ቖፎታት ስለ ዘለዎ ግን፡ ኩለ መዳያዊ ጥንቃቐ ከም ዘድሊ ፕሮፌሰር ምትኩ የዘኻኽሩ። \"ብቐጻላይ ብዝተወሰነ መልክዑ ኬሚካል ኣብ ምንጻግ ክህሉ ስለ ዝኽእል ንዘለና ፍርያት መዓር ከይጉዳእ ነቶም ኣናህብ ጸገም ከየምጽእ ጥንቃቐ ብምግባር ኬሚካል እናነጸግካ ክውገድ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ። ብኣውርኡ ግን ሓፈሻዊ ናይ ከባቢ ኣየር ለውጢ ስለዘሎ ኣንበጣ'ውን ምስዚ ዝተሓሓዝ ስለ ዝኾነ፡ ናይዚኦም መረዳእታ እናኣከበ ዝምግብ ትካል የድልየና እዩ\"። እቲ ቁውም ነገር ግን ኣንበጣ፣ ኾነ ካልኦት ለበዳታት ከም ዝመጽኡ ኣቐዲሙ ሓበሬታ ዝእክብን ዝትንትን ትካል ከም ዘድሊ ብምግላጽ፡ ነዚ ዝምልከት ዝወሃቡ ሓበሬታታት ከየስተናዓቕኻ ተኸታቲልካ ክውሰድ ዝግብኦ ስጉምቲ ኣቐዲምካ እንተተወሲዱ ምቁጽጻር ከም ዝከኣል ኣአንፊቶም።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52533575"} {"headline":"ሓድሽ ወራር ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ኣብ ሰለስተ ወረዳታት ትግራይ ተራእዩ","content":"ካብ ገለ መዋሰኒ ከባብታት ክልል ዓፋር ናብ ትግራይ ዝዘለቐ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ኣብ ሰለስተ ወረዳታት ትግራይ ከም ዝተረእየ ነበርቲ እቲ ከባብ ከምኡ'ውን ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርንን ትግራይ ንቢቢሲ ገሊጾም። እቲ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ካብ ትማሊ ሰሉስ ጀሚሩ እዩ ኣብ ደቡብ ትግራይ ተራእዩ ዘሎ። ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ፡ ሚኪኤለ ንጉስ፡ ዛጊድ እቲ ወራር ኣንባጣ ኣብ ወረዳታት ራያ ዓዘቦ፣ ራያ ኣለማጣን ጨርጨር ራያን ከም ዝተርአየ ገሊጹ። \"ብሓፈሻ ኣብ ሰለስቲኣን ወረዳታትን፡ ኣብ ሸውዓተ ጣብያታት እዩ ተራእዩ ዘሎ። ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ካብ ሰዓት 8፡00 እዩ ምእታው ጀሚሩ\" ኢሉ። ኣብ ገለ ገጠር ከባብታት ኣላማጣን ከባቢኡን፡ መናእሰይ ነቲ ኣንበጣ በረኻ ከባርሩ ዘርእዩ ምስልታት ተራእዮም። \"መንግስቲ ትግራይ፡ ካብ ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለም [FAO] ሓበሬታ ቅድመ መጠንቀቕታ ረኺቡ ስለ ዝጸንሐ፡ ኣብ ኩሎም ሕርሻዊ ንጥፈታት ነዚ ሓበሬታ ኣብ ግምት ብምእታው ክስራሕ ጸኒሑ'ዩ\" ይብል። መንግስታዊ ኣወዳድባታት ኩሎም ኣመራርሓ ዞባታት ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ክፈልጡን ሙሉእ ምድላው ክገብሩን ከም ዝተገብረ ተዛሪቡ። ቅድም ክብል ነቲ ወራር ኣብ ምፍሻል፡ ብዓርስ ተበግሶ ዝነጥፉ ምስ ዝነበሩ መናእሰይ ሓቢርካ ንምስራሕ'ውን ተሓሲቡ ኣሎ ኢሉ። ኣብዚ ዓመት ካብ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ፡ ኣንበጣ ናብ ትግራይ ብተደጋጋሚ ምእታው ዝዝከር እዩ። እቲ ሓላፊ ከም ዝበሎ፡ እቲ ኣንበጣ በረኻ ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 18 ጊዜ እዩ ተኸሲቱ። \"ኣብ ዘራእቲ ዘብጸሖ ጉድአት ከርና ኣይነበረን። ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ድማ፡ እቲ ኣንበጣ ኣብተን ዝተርአየለን ወረዳታት ስግኣት ዝፈጠረ ኮይኑ፡ እቲ ምድላው ግን ኣብተን ጣብያታት ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ዝተማልአ እዩ\" ኢሉ። ኣይተ ሚኪኤለ ከም ዝብሎ፡ እቲ ወራር ቅድም ኢሉ ብዝተገብረ ቅድመ መጽናዕቲ ከጥቅዐሎም ዝኽእል ቦታታት ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣበይ ብኸመይ መገዲ ምምካትን ምክልኻልን ከም ዝከኣል ድማ ምድላው ተገይሩ እዩ። ኣብ ኩለን ወረዳታት ዘሎ ብሓይሊ ሰብ ዝግበር ዘመተ፤ ማለት'ውን ድምጺ ብምስማዕ፣ ብምጭፍጫፍ፣ ብምብራርን ኣብ ዘራእቲ ከይዓርፍን ከየጥቅዕን ዝግበረሉ መይላ እናተሰርሐሉ ዝመጽአ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብዚ ጉዳይ መናእሰይ ብምትሕብባር ዓብዪ እጃም ዝነበሮ መንእሰይ ተኽሊት ሃይላይ፡ ከምቲ ልሙድ ገለ መናእሰይ ወዲቡ ናብ ደቡብ ትግራይ ከባቢ ይንቀሳቐስ ከም ዘሎ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ካብኡ ሓሊፉ ጉድኣት ከብጸሓሉ ይኽእል እዩ ተባሂሎም ኣብ ዝግመቱ ከባብታት ሕርሻ፡ ብኣውሮፕላን መድሓኒት ንምንጻግ 'ውን ትልሚ ከምዘሎ- ኣይተ ሚኪኣል ሓቢሩ። \"ኣብ ክልል ልዕሊ 10 ሽሕ ሊትሮ ኬሚካል ተዳልዩ ኣሎ። ብተወሳኺ ድማ ብመካይን ዝንጸግ ልዕሊ 2 ሽሕ ናፍጣ ኬሚካል ተዳልዩ ኣሎ። እዚ ኩሉ ኣማእኺልካ ንምስራሕ እዩ ምድላው ተገይሩ ዘሎ\"። ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ እቲ ኣንበጣ ኣብ ዝተርአየለን ከባቢታት ብኣውሮፕላን ኣቢልካ ኬሚካል ንምንጻግ ጂፒኤስ ተዋሂብዎም ኣብ ምድላው ከም ዝርከቡ ገሊጹ። ብተወሳኪ፡ ኣብ ሕድሕድ እተን በቲ ዕስለ ኣንበጣ ክጥቅዓ ይኽእላ እየን ተባሂለን ዝተገመታ ጣብያታትን ወረዳታትን ኣብ ነፍሲ ወከፈን ልዕሊ 200 ሊትሮ ኬሚካል ንመሐለውታ ተቐሚጡ ከም ዘሎ'ውን ተዛሪቡ። ናብቲ ክልል ከይኣተወ ኣብ ክልል ዓፋር እናሃለወ ሓበሬታ እንተነይርኩም ኣብኡ ክተርፍ ዶ ኣይምተኽኣለን -ዝብል ሕቶ ንኣይተ ሚኪኤል ኣቕሪብናሉ። ብፍላይ ኣብተን ምስ ክልል ዓፋር ዝዳወባ ወረዳታት ምስ መንግስቲ ክልል ዓፋር ብምውዳድ ብሓባር ኮይነካ ንምስራሕ ጻዕሪ ከም ዝተገብረ ሓቢሩ። ብኣውርኡ ግን ካብ ሓደ ክልል ናብ ካልእ ዶብ ሰጊርካ ምስራሕ ናይ መንግስቲ ፌዴራል ስራሕ ከም ዝኾነን፡ ንሱ ድማ ኣብቲ ክልል ዓብዪ ስራሕ ከም ዝተሰርሐን ተዛሪቡ። \"ኣብቶም ዝዓረፈሎም ከባብታት ዓፋር ብከሚካልን ብምጭፍጫፍን ክዳኸም ተገይሩ እዩ። እዚ እንተዘይከውን ነይሩ ኣዝዩ ሓደገኛ ክኸውን እዩ ነይሩ። ናብ ትግራይ'ውን ቀዲሙ እዩ ክኣቲ ነይሩ\" ኢሉ። ካብ ቀይሕ ባሕሪ ተበጊሱ ዝመጽእ እዚ ውራር ኣንበጣ በረኻ መወዳአትኡ ኣብ ትግራይን ኤርትራን ስለ ዝኸውን ከቢድ ሓደጋ ከብጽሕ ከም ዝኽእል ካብ ፋኦ (FAO) ዝተረኸበ ቅድመ መጠንቀቕታ ከም ዝሃበ ዝዝከር እዩ። ቢቢሲ ድማ፡ ቀዲሙ እዚ ሓበሬታ ብዝምልከት ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ዝርከብ ናይ ኢጋድ ወኪል ምክልኻል ኣንበጣ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣዘራሪቡ ሓበሬታ ምቅልሑ ዝዝከር እዩ። ብደረጃ ሃገር ዘሎ ዝርግሐ እቲ ዕስለ ኣንበጣ ንምፍላጥ ጻዕሪ ንገብር ኣለና።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53803544"} {"headline":"ሓሳኹ ናብ መግቢ እንስሳ ምናልባት ከኣ ንሰባት ዝቕየረሉ ሕርሻ ደቡብ ኣፍሪቃ","content":"ነፍሳት (ሓሸራት) ን‘ፔትስ’ ማለት ናይ ገዛ ፍትው እንስሳ ከም ቀንዲ ምንጪ ፕሮቲን ስለዝኾኑ ኣብ ዕዳጋ ዘለዎም ተጠላብነት እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ። እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብ2018 ዝተኸፈተ ሕርሻ ማልቴንቶ ኣብ ወርሒ 10 ቶን ኣዝዮም ብፕሮቲን ዝማዕበሉ መግብታት ኣብ ምድላው ይርከብ። ካብቲ ዝፈርዮ ዝበዝሐ ድማ ናብ ደገ ሰድድ ይገብሮ። “ሕጽረት መግቢ ኣሎ፤ ሰባት ከኣ ይጠምዩ ኣለዉ። በዚ ልክዕ ጸገም ብኽነት ኣለና። ስለዝኾነ ነዚ ብኸመይ መሊስና ክነመጣጥኖ ከምእንኽል ክሓስብ ጀሚረ” ይብል መስራቲ እቲ ሕርሻ ዲን ስሞርንበርግ ናብቲ ስራሕ ዝወፈረሉ ምኽንያት ከረድእ ከሎ። ናብዚ ስራሕ ቅድሚ መሊኡ ምእታዉ ካልእ ስራሕ ዝነበሮ ዲን ብ2016 ኣብ ገዝኡ ‘ብላክ ሶልጀር ፍላይስ’ ብዝብል ዝፍለጡ በረርቲ ነፍሳት የርብሕ ነይሩ። [እዞም መልክዕ ሃመማ ዘለዎም ጸለምቲ በረርቲ ነፍሳት ገና ላርቫ (ሓሰኻ ካብ እንቋቑሑ ድሕሪ ምውጽኡ) እናሃለዉ ንተረፈ-ምህርቲ ናብ ድኹዒ ወይ ናብ መግቢ እንስሳ ኣብ ምቕያር ዓብዪ ረብሓ ኣለዎም] እቲ ስራሕ ምስ ካልኦት ፕሮቲናት ዝዳለዉሎም መገዲታት ክነጻጸር ከሎ ዝተሓተ መጠን ማይን ዝነኣሰ ቦታን’ዩ ዘድልዮ። ብ2020 ኣብ ብሪጣንያን ጀርመንን ዝተገበረ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፤ እቲ ብደረጃ ዓለም ዘሎ ንፔትስ [ፍትው\/ዝለመደ እንስሳ] ዝቐርብ መግቢ ካብቲ ፊሊፒንስን ሞዛምቢክን ብሓባር ዝፍንውኦ ዝበልጽ ካርቦን ዳይኦክሳይድ ማለት ዝተበከለ ኣየር ናብ ከባቢ (ኣትሞስፌር) ይፍንው። “ሓሳኹ ፕሮቲን ካብ ምዃን ብተወሳኺ ብዙሕ ረብሓታት ኣለዎም” ዝብል ዲን ስሞረንበርግ ኣብቶም ገና ላርቫ ተባሂሉ ዝፍለጥ ደረጃ ዕብየት ዘለዉ ምብራር ዘይጀመሩ ነፍሳት ኣብ ምውሓስ ጥዕና መዓናጡ ደቂሰብ ዓቢ ተራ ከምዘለዎም የረድእ። “ኣብ ውሽጢ ሓደ ቦታ 52 ጊዜ ምህርቲ ክትሓፍሱ ዘኽእለኩም ካልእ ዓይነት ዘርኢ ኣብ ዓለም የለን” ድማ ይብል። እቶም ሓሳኹ ኣብቲ ዝድለ ደረጃ ዕብየት ምስበጽሑ እቲ ዘድልይ ክፍሊ ኣካሎም ተፈልዩ ተረፈ-ምህርቶም ድማ ከም ድኹዒ ኮይኑ ከገልግል ይኽእል። ነዚ ተረፈ-ምህርቲ (ተዋጽኦ) ክወስዱ ድልየት ዘለዎም መድሓኒት ኣፍረይቲ ትካላት ከምዘለዉ ኣብቲ ሕርሻ ዝሰርሕ ዶሚኒክ ማላን ይዛረብ። ኣብ ደረጃ ላርቫ እናሃለዉ ጀሚሮም’ዮም ናብ ዝተፈላለዩ ረብሓታት ክውዕሉ ዝኽእሉ። መብዛሕቲኦም ኣንቂጽካ ንመግብነት ደራሁ ክውዕሉ ናብ ኣሜሪካ ሰደድ ይግበሩ። ካልኦት ድማ ብመልክዕ ሕሩጽ ተዳልዮም ንኣኽልብቲ ዝኸውን መግቢ ናብ ዘዳለው ኣብ ኖርወይ ዝርከብ ፋብሪካ ይለኣኹ። ዝተረፉ ብመልክዕ ፈሳሲ ናብ ዝዳሎ መግብነት ይጽሞቑ። ኣብ ደች ዝርከብ ትካል መጽናዕቲ ሕርሻ ‘ራቦሪሰርች’ ከምዝብሎ፤ ብደረጃ ዓለም ካብ ሓሳኹ (በሻራት) ንናይገዛ እንስታት ዝዳሎ መግቢ ኣብ ዝቕጽሉ 10 ዓመታት ናብ ፍርቂ ቢልዮን ቶን ክበጽሕ ይኽእል’ዩ። ኣብዚ እዋን 10 ሽሕ ቶን ጥራይ ይፈሪ። እዚ ኢንዳስትሪ ብቕልጡፍ ዝዓብይ ዘሎ ምዃኑ ድማ ወሲኹ ይገልጽ። “ብሓቂ ኣማራጺ እዮም” ትብል ተመራማሪት መግቢ ዶክተር ሊህ ቤሳ። ኣብዚ ሕዚ ላርቫ በረትቲ ነፍሳት ንስጋ ተኪኡ መግቢ ደቂ ሰባት ክኸውን ንምግባር ኣብ ጻዕሪ ትርከብ። ካብ ሞንጎ ተሳልጦም ዘላ ተወሰኽቲ ስራሕቲ ከኣ ጣዕሚን ምዕቡል ትሕዝቶን ናይቶም ንእንስሳት ገዛ ዝቐርቡ መግብታት ክመሓየሽ ምግባር ሓደ’ዩ። ቅድሚ ናብ ማልቴንቶ ምጽምባራ፡ ካብ ሓሳኹ (በሸራት) ዝተዳለወ ኣይስክሬም ዝሰርሕ ትካል ብምኽፋት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣዘራራቢት ኮይና ነይራ። ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል መግብን ሕርሻን ብ2013 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሓሳኹ ወይ ነብሳት ምምጋብ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ሕጽረት መግቢ ዘቃልል ኣማራጺ መገዲ ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሩ ነይሩ። ኣብዚ እዋን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሓሳኹ ምምጋብ ልሙድ እናኾነ’ኳ እንተመጽአ ምዕራባውያን ሃገራት ግን ምቅዋመን ኣይተረፈን።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58472646"} {"headline":"ጥዕና፡ ጨው መሲልዎም ኣብ ምግቢ ኬሚካዊ ድኹዒ ዝተጠቐሙ 24 ኣባላት ቤተሰብ ሞይቶም","content":"ኣብ ሰሜን ምዕራባዊ ናይጄርያ ዝተበከለ ከምዝኾነ ዝተገለጸ ምግቢ ዝበልዑ 24 ኣባላት ሓደ ቤተሰብ ሞይቶም፡፡ እቲ ሓደጋ ኣብ ግዝኣት ሶኮቶ ኣብ እትርከብ ዳንዛኬ ዝተባህለት ገጠር እዩ ኣጋጢሙ፡፡ ኮምሽነር ጥዕና እታ ግዝኣት ዓሊ ኢናመ ንጋዜጠኛታት ከምዝሓበሮ፡ እቶም ቤተሰብ ብሰኑይ ምግቢ እንተዳልዉ፡ ብጌጋ ጨው ዝመስል ቀመማዊ ምህርቲ መሰሰኒ (ድኹዒ) እዮም ተጠቒሞም፡፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ህይወት እቶም ኣባላት ቤተሰብ ንምድሓን ዝገበርዎ ጻዕሪ እውን ከምዘይሰመረ ሓቢሩ፡፡ ካብቲ ምግቢ ንእሽተይ ጥራሕ ዝጠዓሙ ክልተ ኣባላት እቲ ቤተሰብ ግና ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ፡፡ እቲ ሓደጋ ምስተሰምዐ፡ እቲ ህዝቢ ምእንቲ ድሕነቱ ሓደገኛ ኬሚካላት፡ ምግቢ ካብ ዝቐምጠሉን ዝስረሐሉን ከባቢ ከርሕቕ ሰብ መዚ ጸዊዖም፡፡ ኣብ ናይጄርያ ቅድሚ ሕዚ ተመሳሰልቲ ሓደጋታት ዘጋጥሙ እኳ እንተኾኑ፡ ክንድዚ ዝኣኸሉ ሰባት ክሞቱ ግን ልሙድ ኣይኮነን፡፡","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58175362"} {"headline":"ኣልኮላዊ መስተ፡ ካብ ዕፉን ቢራ ዘፍረየ ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲ","content":"\"ካብ ዕፉን ቢራን ውስኪን ከፍሪ ክኢለ'የ\" ዝብል ተመሃራይ ራብዓይ ዓመት ኬሚካል ኢንጅነሪንግ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኤርሚያስ ዋቅሹማ'ዩ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ዊስኪ ንምፍራይ ካብ 7 ክሳብ 10 ዓመት ዝወስድ ዝነበረ ግዜ ብምሕጻር ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ከፍሪ ከም ዝኽኣለ ይዛረብ። እዚ እቲ ናይ ምፍራይ ግዜ ብምሕጻር ዝጥለብ ምህርቲ ምርካብ ናይ ባዕሉ ናይ ምህዞ ሓሳብን ውጽኢትን ከም ዝኾነ ይዛረብ። ኤርሚያስ ዕፉን ተጠቒሙ ቢራን ዊስኪን ከፍሪ ዝደለየሉ ምኽንያት ከረድእ እንከሎ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዙሕ ምህርቲ ስለ ዘለና'ዩ ይብል። ቢራ ካብ ስገም ምፍራይ ልሙድ እኳ እንተኾነ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ዕፉን ትኹረት ገይሩ ብምስራሕ \"ጽቡቕ\" ዝብሃል ኣልኮላዊ መስተ ከፍሪ ከም ዝኽኣለ ይዛረብ። እዚ እኽሊ ካብ ካልኦት ምህርታት ብዝተፈለየ ኣብ ዕዳጋ ብትሑት ዋጋ ስለ ዝቐርብ'ውን ብቐሊሉ ንኢንዳስትሪ ክትጥቀመሉ ከም እትኽእል ብምግላጽ ካብኡ ዝፈሪ ነገራት ብዝተሓተ ዋጋ ንምቕራብ ከም ዝሕግዝ ሓቢሩ። ብዝሒ ተጠቀምቲ ኣልኮል ካልእ መበገሲ ሓሳብ ዝኾኖ ዛዕባ ምዃኑ'ውን ሓቢሩ። እዚ ልዑል ብዝሒ ዓማዊል ዝረክብ ዘሎ ኢንዳስትሪ ብኸምዚ ዓይነት ምህዞ እንተድኣ ተሓጊዙ ጽሬት እቲ ምህርቲ ከይጎደለ ብትሑት ዋጋ ድልየት ዓማዊል ምርዋይ ከም ዝክኣል ይዛረብ። ብተወሳኺ ፋብሪካታት ምፍራይ ቢራ ዝተወሰኑ ምህርታቶም ሸርፊ ወጻኢ ተጠቒሞም ኣታዊ ስለ ዝገብሩ፡ ንሱ ብስራሕቲ ምህዞ ነቶም ወጻኢታት ንምትራፍ እንተሰሪሑ ኢትዮጵያ ሸርፊ ወጻኢ ክተድሕን ከም እትኽእል ይኣምን። እዚ ሓሳብ ኣቐዲሙ ነቲ ዝመሃረሉ ዩኒቨርሲቲ ከቕርቦ እንከሎ ኣይተቐበሉዎን፤ ግን ድማ ብናይ ባዕሉ መገዲ ናብ ናይ ምርምር ስራሕቲ ከም ዝኣተወ ይገልጽ። ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብዚ ስራሕ ክነጥፍ እንከሎ፡ ሕጽረት ገንዘብ፣ እቲ ስራሕ ንኻልኦት ኣረዲእኻ ተቐባልነት ምርካብ ዝበሉ ጸገማት ከም ዘጋጠሙዎ ተዛሪቡ። ኤርሚያስ ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ለይቲ ሓዊሱ ኣብ ቤተ ፈተነ ብምሕላፍ እቲ ናይ ምርምር ስርሑ ክውድእ ከም ዝኽኣለ'ዩ ዝገልጽ። ሕጂ ብደረጃ ፈተነ ምስ ሄኒከን ቢራ ብምትሕብባር 100 ቢራ ኣፍርዩ ኣሎ። እዚ ምህርቲ ቢራ ኣብ ዕዳጋ ውዒሉ ምስ ካልኦት ምህታት ተወዳዳሪ ኮይኑ ክሽየጥ ምርኣይ ሕልሙ'ዩ። እቲ ቢራ 4.79 ሚኢታዊት መጠን ኣለኮል ኣለዎ፤ እቲ ውስኪ ድማ መጠን ኣልኮሉ 42 ሚኢታዊት ምዃኑ ተዛሪቡ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58783557"} {"headline":"ሓላፊት ትካል ረድኤት ኣመሪካ፡ ኣብ ትግራይ ‘ብርቱዕ ጥሜት’ ምህላው ኣጠንቂቓ","content":"ሓላፊት ትካል ረድኤት ኣመሪካ፡ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይ \"ሓያል ጥሜት\" ተኸሲቱ ምህላው ኣጠንቂቓ። ሓላፊት ዩኤስኤይድ፡ ሰማንታ ፓወር፡ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሐቶ መልእኽቲ፡ ህጹጽ ትካል ምክትታል መግቢ ኣመሪካ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ዝቕጽለ ዘሎ ጎንጺ \"ደረጃ 5 ህጹጽ ኵነት መግቢ\" ተኸሲቱ ምህላው ገሊጻ። እዚ እቲ ዝለዓለ ደረጃ ምዃኑ ንምብራህ \"ደረጃ 6 ዝበሃል የለን\" ዝበለት እታ ሓላፊት ዩኤስኤይድ \"መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕጂ ነቲ ኲናት ደው ከብልን ንሰራሕተኛታት ረድኤት መገዲ ክኽፈትን\" ጸዊዓ። ብመሰረት ጸብጻብ ፕሮግራም መግቢ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ 5.2 ሚልዮን ሰባት ናይ መግቢ ሓገዝ የድልዮም ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ረድኤት ክበጽሕ ዝኽእለሉ መገዲ ከፍቅዱ ጸዊዑ ነይሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንዜጋታቱ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ምስ ዓለምለኻውያን ትካላት ሓቢሩ ይሰርሕ ምህላው ይገልጽ። ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ ሓይልታት ህወሓትን ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣብ ወርሒ ሕዳር እዩ ኲናት ተወሊዑ። እቲ ኲናት፡ ሰፊሕ ምፍንቓል ከም ዘስዓበን፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ነበርቲ ናብ ሱዳን ክሃድሙ ከምዝተገደዱን ጸብጻባት ትካላት ረዲኤት የረድኡ። ቁጽሮም ብንጹር ዘይተፈልጠ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብቲ ኲናት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት። ትካላት ሰባዊ መሰላት፡ እቲ ኣብ ግጭት ተፈጺሙ ዝብሃል ቅትለትን ጾታዊ ዓመጻትን ዝርከቦ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ብናጻ ኣካል ክጻረ ክጽውዑ ምጽንሖም ይዝከር። ኣመዓባብላ እቲ ጎንጺ እቲ ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን ፈደራልን ዝነበረ ምትፍናን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር ኵናት ምስ ኣወጀ፡ እቲ ዝነበረ ወጥሪ ናብ ቅሉዕ ኵናት ዓሪጉ። ቅድሚ መጀመርታ ሕዳር 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ ውድብ ህወሓትን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራልን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ርክቦም ሓርፊፉ ነይሩ። ህወሓት ንዝሓለፈ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት፡ ኣብቲ ብሕብረት ሰልፍታት ዝቖመ ኢህወደግ ብዓብላልነት ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስመጽአ እቲ ዝነበሮ ዓብላልነት ስኢኑ ኣብ ክልል ትግራይ እዩ ተሓጺሩ ጸኒሑ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57197136"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ 'ኣብ ትግራይ 2.3 ሚልዮን ህፃናት ሰብኣዊ ሕገዝ የድልዮም' - ዩኒሴፍ","content":"ትካል ህፃናት ሕቡራት ሃገራት - ዩኒሴፍ፡ ኣብ ትግራይ 2.3 ሚልዮን ህፃናት ሰብኣዊ ሕገዝ ከምዘድልዮም ሓቢሩ። እንተኾነ ብሰንኪ'ቲ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ነቶም ህፃናት ዝቐርብ ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ ምግባር ከምዘይተኽኣለ ኣፍሊጡ'ሎ። ዳይሬክተር ዩኒሴፍ ሄንሪየታ ፎረ ኣብ ዘውፅኣቶ መግለፂ \"እቲ ኲናት ካብ ዝተወለዓሉ እዋን ጀሚሩ ኣስታት 30 ሽሕ ሰባት ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ኣለዉ\" ኢላ። ካብቶም ንድሕነቶም ብምስጋእ ናብ ሱዳን ዝሃደሙ ስደተኛታት ድማ፡ እቶም ኣስታት 12 ሽሕ ህፃናት ከምዝኾኑን፡ ገሊኦም ስድራ ወይ ቤተሰብ ከምዘይብሎምን ሓቢራ። እቶም ህፃናት ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቑ ዘመልከተ መግለፂ ዳይሬክተር ዩኒሴፍ፡ እቲ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ከቢድ ከምዝኾኖም ገሊፁ። እታ ዳይሬክተር፡ ከም ኣገልግሎት ጥዕና፣ መግቢ፣ ማይ፣ ናውቲ ፅርየትን ካልእን ዝበሉ መድሕን ህይወት ዝኾኑ ሓገዛት ብቕልጡፍ ንክበፅሖም፡ ዩኒሴፍ ምስ ካልኦት መሻርኽቱ ብምትሕብባር ይሰርሕ ምህላዉ፡ ኣፍሊጣ። \"ኣብ ዝቕፅሉ መዓልታት ወይ ሰሙናት'ውን ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት ዶብ ሰጊሮም ክመጹ ስለዝኽእሉ መሰረታዊ ድልየታቶም ንምምላእ ተወሳኺ ሓገዝ ምርካብ ወሳኒ'ዩ\" ኢላ። ብሰንኪ'ቲ ዝቕፅል ዘሎ ኲናት፡ ናብ ትግራይ ምንቅስቓስ ስለዘይከኣልን: ስልክን ኢንተርኔትን ብምቁራፁን፡ ኣስታት 2.3 ሚልዮን ህፃናት ተፀበይቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኾኑ ከምዝተገደዱ ዘመልከተት እታ ዳይሬክተር፡ እንተኾነ ዘድልዮም ሓገዝ ንምብፃሕ ከምዘይተኽኣለ ኣረዲኣ። \"እቲ ሕጂ ዘሎ ወጥሪ ቅድሚ ናብዚ ምብፅሑ'ውን፡ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ስደተኛታት ብውሑድ 54 ሽሕ ህፃናት ዘለዉ ኮይኖም፣ 36 ሽሕ ድማ ብሰንኪ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ብዕጥቂ ዝተሰነዩ ጎንፅታትን ውሽጣዊ ምፍንቓል ኣጋጢምዎም'ዩ\" ትብል ዳይሬክተር ዩኒሴፍ ኣብ መግለፂኣ። ኣብቲ ክልል፡ ወራር ኣንበጣ በረኻን ለበዳ ኮሮናቫይረስን ብዘኸተልዎ ሳዕቤን መጠን ሕፅረት መግቢ ኣብ ህፃናት ከምዘጋጠመ ሓቢራ'ላ። መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምፅናሕ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም። ብለበዳ ኮቪድ-19 ብዝተናውሐ መረፃ እውን ተሰሓሒቦም። ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ መረፃ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዘ ክፍፀም ወሲኑ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ነቲ ውሳነ ብምንጻግ መረፃ ኣካይዱ። ዶ\/ር ኣብይ እቲ መረፃ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነፅጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገፂ ሒዙ። ብድሕር'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ንሓድሕዶም ክካሰሱ ፀኒሖም። ብ03 ሕዳር ከኣ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ምስ ዝነበረ ናይ ሰሜን እዝ ጎንፂ ተኸሲቱ። ዶክተር ኣብይ \"ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝተወስደ ስጉምቲ\" ብምኹናን፡ ሕጊ ንምኽባር ብዝብል ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ። ኣብ ትግራይ ዝፀንዕ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ህፁፅ ግዘ'ውን ኣዊጁ። ቤት-ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ እውን ንመንግስቲ ህወሓት ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዝሸይም ሓቢሩ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/55021617"} {"headline":"ኣብ ደቡብ ትግራይ ሓደጋ ዘውርድ ዘሎ ዕስለ ኣምበጣ 'ኣብ ዞባ ማእከል እውን ተራእዩ'","content":"ኣብ ደቡብ ትግራይ: ብፍላይ ኣብ ራይ ጨርጨርን ራይ ኣላማጣን ኣብ ዝፈረየ ምሸላ ዕንወት ዘብፀሐ ዕስለ ኣምበጣ በረኻ: ኣብ ካልኦት ከባብታት ትግራይ'ውን ክረአ ጀሚሩ ምህላዉ ይግለጽ። ዕስለ ኣንበጣ በረኻ፡ ኣብ ቆላ ተንቤንን ናዕዴርን ከምዝተራኣየ፡ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ኣፍሊጡ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ገለ ከባብታት ደቡብ ምብራቕ ትግራይ'ውን ወራር ዕስለ ኣንበጣ ክረኣይ ምጅማሩ ሓረስቶት ይዛረቡ። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ: ዶ\/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ሰንበት ንጉሆ ናብ ራያ ብምኻድ፡ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ምክልኻል ተዓዚቦም። ብኻልእ ገፅ: ንመንፀጊ ክትውዕል ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ተጋሩን ኤርትራውያንን ዓዲጎም ዝለኣኽዋ 'ድሮን' ዛጊድ ናብ ትግራይ ከምዘይበፀሐት ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ ደቡብ ትግራይ ንዘጋጠመ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምክልኻል፡ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ፡ መናእሰይ ብፍቓዶም እናወፈሩ እዮም ምክልኻል ዝገብሩ ዘለዉ። እቲ ምክልኻል መብዛሕትኡ፡ ብሓይሊ ሰብ እዩ ዝፍጸም ዘሎ። ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝነብሩ ተጋሩ፡ ኣብ ዓዶም ንዘጋጠመ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምክልኻል ዝውዕል ምትእኽኻብ ሓገዝ ገንዘብ ይገብሩ ኣለዉ። ወራር ዕስለ ኣምበጣ በረኻ፡ ኣብ ትግራይ፡ ዓፋር፣ ሶማል፣ ኣምሓራን ኦሮሚያን ኣጋጢሙ ምህላዉ ሚኒስተር ሕርሻ ኢትዮጵያ ይገልጽ። ኣብ'ታ ሃገር ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሄክታር መሬት ኣብ ስግኣት ከምዘሎ'ውን ይግመት። እዚ ወራር ዕስለ ኣምበጣ፡ ብመጠኑ ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት ተራእዩ ዘይፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ'ውን ሃስያ የብጽሕ ኣሎ። እቲ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝርአ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክኣቱ እንተዘይኽኢሉ፡ ኣብተን ሃገራት ዓጸቦ ከጋጥም ከም ዝኽእል፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ከምዘጠንቀቐ ዝዝከር እዩ። ብመሰረት መጽናዕቲ ውድብ መግብን ሕርሻን (ፋኦ) ሓደ ዕስለ ኣንበጣ፡ ናይ ዓመት መግቢ ናይ 2,500 ሰባት ክበልዕ ይኽእል።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54505040"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ጎንጽታት ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ዝኸውን ህጹጽ ረድኤት ክተኣኻኸብ ጀሚሩ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሰንኪ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተወልዑ ጎንጽታት፡ ብዙሓት ኢትዮጵያውን ካብ ዝነብሩሎም ከባብታት ተመዛቢሎም'ዮም። ነቶም ዝተፈናቐሉ ዜጋታት ዝኸውን ህጹጽ ረድኤት ድማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቤተ ትያትር ሃገር-ፍቅር ትማሊ ክተኣኻኸብ ጀሚሩ'ሎ። ነዚ ረድኤት የተሓባብር ዘሎ፡ ጥምረት ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝተበሃለ ኮሚቴ ኮይኑ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ጉጅለታትን ውልቀሰባትን ዝተኣኻኸቡ 25 ኣባላት ዝሓዘ'ዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ካብ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ጻውዒት ሓገዝ ምስቀረበ ዝቖመ እዚ ኮሚቴ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጎስጓስ ከካይድ ጀሚሩ። ካብ ትማሊ ንጉሆ ብዝተጀመረ ወፍሪ ምትእኽኻብ ሓገዝ ከኣ ንተመዛበልቲ ዝኸውን ሓገዝ መግብን ናውትን ተኣኻኺቡ። ነቲ ሓገዝ ካብ ዘተሓባብሩ ሓደ፡ ያሬድ ሹመቴ፡ ስርናይ፣ ፓስታ፣ ማኮሮኒ፣ ሕሩጭ፣ ሩዝ፣ ዘይትን ካልእን ይተኣኻኸብ ከም ዘሎ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ብተወሳኺ ድማ ተመዛበልቲ ካብ ገዝኦም ጥራሕ ኢዶም ስለዝወጽኡ፡ ዝኽደንዎ ክዳን ከይጽገሙ፡ ኮበርታን ክዳውንትን ካብ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ይልገስ ኣሎ። ንህጻናት ዝኸውን ዓይነታት መግቢን ናውቲ መሕለዊ ጽርየትን እውን ካብ ሞንጎ ብግዱሳት ዝተለገሱ ሓገዝ እዮም። ብሓፈሻ ትማሊ ጥራይ ሰለስተ ጽዕነት መኪና ዝኸውን ረድኤት ክተኣኻኸብ ከም ዝኸኣለ ያሬድ ሓቢሩ። እቲ ኮሚቴ ቅልጡፍ ሓገዝ የድልዮም ዝበሎም ሽድሽተ ቦታታት መሪጹ'ሎ። ብመሰረት ክሳብ ሕዚ ዝረኸብዎ መረዳእታ ልዕሊ 15 ሽሕ ተፈናቐልቲ ከም ዘለዉ ያሬድ ገሊጹ። ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ንሰለስተ መዓልቲ ክጸንሕ ዝኽእል ህጹጽ ረድኤት ትማሊ ከም ዝለኣኸት ዝዛረብ ያሬድ፡ ብኮሚቴኦም ዝተኣኻኸበ ከኣ ካብ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ከም ዝለኣኽ ሓቢሩ። ኣብ መገዲ ከጋጥሞም ንዝኽእል ሓደጋ ኣብ ምቁጽጻር ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ይተሓባበሮም ኣሎ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50217424"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ፡ ናህሪ ዋጋ ሃለኽቲ ሻቕሎት ፈጢሩ","content":"ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸሰተ ወሰኽ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራትን ሓፈሻዊ ናብራን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ብተደጋጋሚ ክልዓል ይስማዕ እዩ። ሓለፍቲ መንግስቲ፡ ዝምልከቶም ኣካላትን መንግስታውያን ኣብያተ ጽሕፈትን እውን፡ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገማት ብምቕባል፡ ንምፍትሖም ይሕግዙ እዮም ዝበልዎም መፍትሒ ሓሳባት ክዛረቡ ይስምዑ እዮም። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ናይ 2011 ዓ\/ም ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብማዕርግ ምክትል ኣማሓዳሪን (ከንቲባ) ሓላፊ ቢሮ ንግድን ኢንዱስትርን ዝኾነ ኢንጂነር እንዳወቅ ኣብጤ፡ ኣብ ናውቲ ህንጻ፡ ኣእካል፡ ኣብ ጥረምረን ኣሕምልትን ወሰኽ ዋጋ ከም ዝተረኣየ ሓቢሩ። ነዚ ጸገም ከም መፍትሒ፡ ነቲ ጸገም ኣጋዲዶም ንዝበሎም ዘይሕጋውያን ነጋዶ ናብ ሕጋዊ መስመር ንምምጻእን፡ ነቶም ፍቃደኛታት ዘይኮኑ ድማ ንዐኦም ዝከታታል ሓይሊ ዕማም ተመዲቡ ስጉምቲ ከም ዝውሰደሎም ተዛሪቡ። ከምኡ'ውን ነዚ ጸግም ካብ ስሩ ንምእላይ ኣብ መስርሕ ቀረብ ምትዕርራይ ንኽግበር ምምሕዳር ከተማ ከምዝሰርሕ ሓቢሩ። እንተኾነ ክረምቲ ምስ ኣተወ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት ክንዲ ዝጎድል ብዕጽፍታት ክውስኽ እዩ ተራእዩ። ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተራእየ ወሰኽ ሃለኽቲ ነገራት፡ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ካብ ዝተራእየ ወሰኽ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት እቲ ዝለዓለ ኮይኑ ተመዝጊቡ'ሎ። ኣብ ሃለኽቲ ነገራት ዝረአ ወሰኽ ዋጋ፡ ብቐጥታ ኣብ ህይወቶም ጽልዋ ካብ ዝገበረሎም ብዙሓት፡ ብማእከላይ ኣታዊ ዝናበር ወዲ ኣርብዓ ዓመት ጋሹ መርከቡ ሓደ እዩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ክፍለ ከተማ ልደታ ዝነብር ጋሹ፡ ንዝሓለፈ ልዕሊ 10 ዓመታት መራሒ ታክሲ ኮይኑ ስድርኡ ክኣሊ ጸኒሑ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ግን \"ኣብ ሃለኽቲ ነገራት ዝተራእየ ወሰኽ ዋጋ፡ ንናብራይ ሰንከልከል ኣቢልዎ\" ይብል። \"ኣብ ሃለኽቲ ነገራት ዝረአ ዘሎ ወሰኽ ዋጋ መዓልታዊ ዝከታተሎ ነገር እዩ፡ ታክሲ ዘዊረ ብዝረኽበን ሰልዲ ዋላ ሓንቲ ክገዝእ ኣይክእልን ዘለኹ\" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ። \"ናይ ደቀይ ናይ ትምህርቲ ክፍሊትን ኣብ ኣእካል ዘሎ ወሰኽ ዋጋን ናብ ተስፋ ምቑራጽ ገጹ'ዩ ዘምርሓና ዘሎ\" ይብል ጋሹ። ሰፊኑ ዘሎ ፍርሒ ጋሹ ኣቦ ኣርባዕተ ቆልዑ እዩ። እታ ቦኽሪ ጓሉ ተምሃሪት ሻዱሻይ ኮይና፡ እቶም ሰለስተ ንኣሽቱ ደቁ ድማ ኣብ መዋእለ ህጻናትን መባእታን ይምሃሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንደቁ ኣብ ናይ ውልቀ ቤት ትምህርቲ'ዩ ዘምህሮም ነይሩ። ሕጂ እቲ ክፍሊት ናይ ትምህርቲ ብምውሳኹ ንደቁ ክኸፍለሎም ስለዘይከኣለ፡ ንሓንቲ ጓሉ ኣብ ቤት ትምህርቲ መንግስቲ፡ እቶም ዝተረፉ ከኣ ብውሑድ ክፍሊት ብድጎማ ገበርቲ ሰናይ ኣብ እተምህር ቤት ትምህርቲ ኣእትይዎም ይርከብ። ንነብሲ ወከፍ ደቁ ከኣ ወርሓዊ 300 ብር ይኸፍል። ኣብዚ ሕጂ ሓንቲ ጓሉ ጥራይ እያ ኣብ ናይ ውልቀ ቤት ትምህርቲ ትምሃር ዘላ። ንዓኣ ኸኣ ንዓመት ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ብር ይኸፍለላ። ነዚ ክፍሊት እዚ፡ ናውቲ ትምህርቲ፡ ናይ ቤት ትምህርቲ ክዳን፡ ናይ መግቢ ምስ ተደመሮ \"ርእስኻ'ዩ ዘሕምም\" ይብል ጋሹ። ኣብ ልዕሊ እዚ ዋጋ ክራይ ገዛ ምስ ተወሰኾ \"ህይወትና ንምድሓ ኢና ንሰርሕ ዘለና'ምብር ንነብር ኣለና ክብሃል ኣይክኣልን'ዩ\" ይብል። ልዕሊ እዚ ሕጂ ዝነብሮ ዘሎ፡ ብዛዕባ መጻኢ ክሓስብ እንከሎ ዝያዳ ከምዝፈርሕ ዝሕብር ጋሹ፡ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት በዚ ዘለዎ እንተቐጺሉ፡ ንደቁ ከምህረሉ ዝኽእል ዓቕሚ'ውን ከምዝጽንቀቕ ስግኣቱ ይጠቅስ። ጋሹ፡ ንዕኡን ንኸምዚ ከምኡ ምስ ናበራ ዝቆራቖሱ ዘለዉ፡ ፖሎቲካውያን ሓለፍቲ ኣቓልቦ ከምዝነፈግዎም'ዩ ዝዛረብ። \"ፖሎቲካውያን ሓለፍቲ፡ ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ንነብሶም ንሽሞምን ንምድልዳል እንተ ዘይኮይኑ፡ ጉዳይ ድኽነት ኣልዒሎም ልብኻ ብዝትንክፍ ዘረባ ኪኖ ምልዓል ናብ ፍታሕ ዝቐረበ ተግባራት ኣይገብሩን እዮም፡ ጉዳያቶም ከሳልጡ እንተዘይኮይኑ፡ ንትርግታ ልቢ ድኻታት ዝርዳእ፡ ንጸገምና ዘንብብ፡ ብዛዕባ ኣብ ሽጉርቲ ዘሎ ናህሪ ዋጋ ዘልዕል የለን\" ይብል። ምስ ናይ ጋሹ ሓሳብ ብዝመሳሰል፡ ክኢላን ተንታኒ ስነቁጠባን ኣሚን ዓብደላ፡ ኣብ ፖሎቲካዊ መድረኻት፡ ናይ ወሰኽ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት ከም ኣጀንዳ ክልዓል ዘይምስምዑ ከምዘገርሞ እዩ ዝዛረብ። \"ምርጫ ይሃሉ ኣይሃሉ ብዘየገድስ፡ ንዝኾነ መንግስቲ ኣብ 'ማክሮ-ኢኮኖሚ' ፈተንቲ ዝኾና ክልተ ነገራት ኣለዋ፡ ወሰኽ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራትን ሽቕለት ኣልቦነትን።\" ወሰኽ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራትን ሽቕለት ኣልቦነትን ምቁጽጻር ንሓንቲ ሃገር ኣብ ምርግጋእን መጠነ ናብራ ዜጋታታ ኣብ ምብራኽ ወሰንቲ ረቋሒታት ከምዝኾኑ ዝሕብር ኢኢላን ተንታኒ ስነቁጠባን ኣሚን ዓብደላ፡ ብዛዕባ እዚ ዘተ ዘይምግባሩን መፍትሒ ሓሳባት ዘይምቕራቡን \"እቲ ቀንዲ ነገር ዝተረሰዐ ይመስል\" ይብል። ክኢላን ተንታኒ ስነቁጠባን ኣሚን ዓብደላ፡ ናህሪ ወሰኽ ዋጋታት ይረአ ከምዘሎ እኹል ሓበሬታ ከም ዘሎ እዩ ዝዛረብ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2011 ዓ\/ም ኣብ ወርሒ ሓምለ ወሰክ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት፡ ልዕሊ 15% ሚእታዊት ከምዝነበረ ይዛረብ። ከምኡ እውን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናብ 18% ሚእታዊት ክብ ኢሉ ከም ዝነበረ ይጠቅስ። እዚ ወሰኽ እዚ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ዓመታት ካብ ዝተራእየ ወሰኽ ዋጋ፡ እቲ ዝልዓለ ከምዝኾነ ኣሚን ዓብደላ ይሕብር። ነዚ ሚእታዊት ክብ ንኽብል እቲ ኣብ ኣእካል ዝተራእየ ወሰኽ ዋጋ ዓቢ ጽልዋ ከምዝነበሮ ይሕበር። ነዚ ምኽንያት ከኣ እቲ ብብዝሒ ኣእካል ዝፈርየሉ ከባቢታት፡ ናይ ጸጥታ ጸገም ስለዝነበሮ እኹል ፍረ ከምዘይተረኽበን፡ እንተተረኽበ እውን ናብ ዕዳጋ ንኽበጽሕ፡ ናይ ምጉዕዓዝ ጸገማት ምንባሩ፡ ናብ ዝድለ ቦታ ኣብ ዝድለ ግዜ ዘይምብጽሑ ምንባሩ ይጠቅስ። ኪኢላን ተንታኒ ስነቁጠባን ኣሚን ዓብደላ፡ ነዚ ጸገም እዚ ንምፍታሕ ክልተ ነገራት ክግበሩ ከምዘለዎም እዩ ዝምዕድ \"ኣብ ቀረብን ጠለብን ምትዕርራይ ምግባር የድሊ'ሎ\" ይብል። \"ኣብ ጉዳይ ቀረብ ወጻኢታት መንግስቲ ክንኪ ተራእዩ እዩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝተገበረ ወሰኽ ስለዘየለ፡ እቲ ናብ ዕዳጋ ዝዝርጋሕ ዘሎ ባጤራ ዝነከየ ይመስል፡ እዚ እንተ ዘይኮይኑ ኣብ ቀረብ ለውጢ ዘሎ ኣይመስልን\" ክብል ይዛረብ። ቀረብ እኹል ዘይምህላዉ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት ከምዝውስኸ ዝዛረቡ ሰባት እኳ እንተሃለዉ፡ ኣቶ ኣሚን ዓብደላ ግን ኣብ ቀረብን ጠለብን ዘሎ ሰንሰለት ጸገም ከም ዘለዎ እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ቀረብ ንበይኑ ጸገም ከምዘየለ እዩ ዝሕብር። \"ሓረስታይ ዘራእቱ ሸይጡ ዝረኽቦ ዋጋን፡ እቲ ኣብ መወዳእታ ናብ ኣህላኺ ክበጽሕ ከሎ ዘለዎ ዋጋን ሰማይን ምድርን እዩ። ሓረስታይ ካብ ሓደ ኪሎ ባናና ዝሸጠሉ ዋጋን፡ ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ዋጋ ኪሎ ባናናን ሰፊሕ ጋግ እዩ ዘለዎ\" ይብል። \"ኣብ ሞንጎ እዚ፡ ናይ ደላሎ፡ ናይ መጓዓዝያ፡ ናይ ክራይ ካልእን ዘሎ ዋጋ እቲ ዝዓበየ ሬሾ ዝወስድ ኮይኑ፡ እዚ ናይ ዕዳጋ ሰንሰለት ስርዓት እንተዘይሒዙን፡ ምውሳኽ ዋጋ ሃለኽቲ ዘይተርፍ'ዩ\" ይብል ኣሚን ዓብደላ። ካብ ደገ ዝመጽእ ነገራት ዋግኡ ንምቁጽጻር፡ ናይ ቀረብ ውድድር ንክህሉ ባይታ ምጥጣሕ ተመራጺ ምዃኑ ብምሕባር፡ ካብ ደገ ንብረት ዘምጽኡ ትካላትን ውልቀሰባትን ውሑዳት ምዃኖም ኣብ ዋጋ ናህሪ ክረአ ምኽንያት ከምዝኾነ ይትንትን። ካብ ወጻኢ ዝመጽእ ንብረት ብሕጽረት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ክኽሰት'ውን ከምዝኽል ብምሕባር፡ እዚ ሕጂ ተራእዩ ዘሎ መጠን ወሰኽ ግን ብሕጽረት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ጥራይ ክመኻነ ከምዘይክእል ይሕብር። ኣቶ ኣሚን ዓብደላ፡ እዚ ልዑል መጠን ወሰኽ ዋጋ ከምቲ ንፖለቲካዊ ጉዳያት ዝውሃቦ ኣተኩሮ ብምዝማድ፡ ትሑት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ \"እዚ ኩሉ እናተራእየ፡ ክሳብ መዓስ'ዩ ሸለል ክብሃል ኣይርድኣንን'ዩ\"ብምባል የማርር።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49982827"} {"headline":"ዳርጋ ርብዒ ህዝቢ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሕጽረት መግቢ ከምዝሳቐ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣመልኪቱ","content":"ትካል መግብን ሕርሻን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘውጸኦ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ 2030 ጥምየት ናብ ዜሮ ንምውራድ ዝተቐመጠ ሽቶ ምዕዋት \"ዓብዪ ብድሆ እዩ\" ተባሂሉ። ኣብ ዓለም ልዕሊ 820 ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት፡ እኹል መግቢ ኣይረኽቡን። እቲ ጸብጻብ ከምዝብሎ፡ እቲ ኩነታት ኣዝዩ ኣሰካፊ ዝኸውን ከኣ ኣብ ኣፍሪቃ እዩ። ዝለዓለ መጠን ጥምየት ዘሎ ኣብ ኣፍሪቃ ክኸውን ከሎ፡ ገለ ክፋላት ኣፍሪቃ ከኣ መጠኑ እናወሰኸ ይመጽእ ከምዘሎ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ። እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ከምዝብሎ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ካብ ዓሰርተ ሰባት እቶም ልዕሊ ሰለስተ እኹል መግቢ ዘይረኽቡ ወይ ከኣ ብዓጸቦን ጥምየትን ዝሳቐዩ እዮም። ኣብ ኣፍሪቃ፡ \"ካብ ክሊማን ጎንጽን ብተወሳኺ፡ ቁጠባዊ ዝሕታለን ምንቁልቋልን\" ጥምየት ዘጋድዱ ዘለዉ ተወሰኽቲ መንቀሊታት እዮም። \"ካብ 2011 ጀሚሩ፤ ብምኽንያት ቁጠባዊ ዝሕታለን ምድስካልን ጥምየት ካብ ዝተኸሰተለን ሃገራት ዳርጋ እተን ፍርቂ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከባ እየን\" ይብል እቲ ጸብጻብ። ጥምየት ዋላኳ ብገፊሑ ዝራኣይ እንተኾነ፡ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ (ምኽሳዕ) እውን ኣብ ክሉ ክፋላት ዓለም እናወሰኸ ይመጽእ ከምዘሎ የመላኽት። ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ ካብ ዘለዎም ህጻናት ዓለም፡ እቶም ሰለስተ ሲሶ ኣብ ኣፍሪቃን ኣብ ኤስያን ከምዝርከቡን፡ እዚ ድማ ንጥዕና ጎዳኢ ካብ ዝኾነ ኣመጋግባ ዝነቐለ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48999859"} {"headline":"ኣብ ዓይኒ ምድሪ ከመይ ገይርና ኢና ኮፍ ክንብል ዝግበኣና?","content":"ካብ ዕምሪ (ብህይወት ንጸንሓሉ ዕድመ) ብማእኸላይ ገምጋም፡ እቲ ሽድሽተ ወርሒ ኣብ ሽቓቕ ከም እነሕልፎ ትፈልጡ ዶ? ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት፡ ናይ ሓደ ሰብ ቀልቀል (ፍታን) እንተተመዚኑ 145 ኪሎግራም ይኸውን። እዚ ማለት ከኣ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ዓመት ካብ ክብደቱ ክልተ ዕጽፊ ዝምዘን ቀልቀል የወግድ። ሽቓቕ ኣብ ንጥቀመሉ እዋን፡ ኮፍ እንብለሉ ኩነታት፡ ኣብ ጥዕናና ጽዕንቶ ከም ዝፈጥር'ዶ ንፈልጥ? ኣብ ሽቓቕ ክንደይ ሰዓታት ተሕልፉ? ኣብ ገጠራት ኣፍሪቃ ዝሰርሑ ሓኻይም ኣብ መፋርቕ መበል 20 ክፍለዘመን፡ ምስ መስርሕ ምሕቓቕ መግብን ምውጋድ ቀልቀልን ('ጋስትሮኢንተስታይናል') ዝተሓሓዝ ጸገም ጥዕና ዘለዎ ሰብ ከም ዘየጓነፎም ይዛረቡ። እዚ ከኣ ነቶም ሓኻይም ዘገረመ ኮይኑ። ካብ ኣፍሪቃ ብተወሳኺ፡ ኣብ ካልኦት ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ኣህጉራት'ውን፡ ምስ ምሕቓቕ መግብን ምውጋድ ቀልቀልን ዝተሓሓዝ ጸገም ዝተርኣዮ ሰብ፡ ቁጽሩ ብዙሕ ኣይነበረን። እቶም ሓኻይም፡ እቲ ኩነታት ምስ ስርዓት ኣመጋግባ ክዛመድ ከም ዝኽእል ገሚቶም ነይሮም። ግን፡ ከምኡ ኣይኮነን። እኳ ደኣስ፤ ካብ ሰብነት ሰባት ዝውገድ ቀልቀል ንኽእከብ ዝወስደሉ ግዜን፤ ሰባት ሽቓቕ ዝጥቀሙሉ መገድን እዩ ነቲ ኩነታት መንቀሊ ዝኾነ። ምዕራባውያን ኣብ ውሽጢ ሽቓቕ ካብ 114 ክሳብ 130 ሰከንድ የሕልፉ። ብኣንጻሩ ኣብ ምዕባይ ኣብ ዝርከባ ሃገራት፡ ሰባት ብማእኸላይ ገምጋም ክሳብ 51 ሰከንድ ጥራይ ይጸንሑ። ምዕራባውያን ኮፍኢልካ ትጥቀመሉ ባዞ ሽቓቕ ከዘውትሩ ከለዉ፡ ዜጋታት ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ድማ ብርክኻ ዓጺፍካ [ብዘይ ኮፍ መበሊ] ይጥቀሙ። ኣብ ውሽጢ ሽቓቕ፡ ሓጺር ግዜ ክትጸንሕ ምኽኣል፡ ንጥዕና ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ሰብሞያ ይምዕዱ። ሽቓቕ ንምጥቃም ኮፍ ክንብል ከለና፡ መቐመጫና ከባቢ 90 ዲግሪ'ዩ ዝዕጸፍ። እዚ ከኣ፡ ኣብቲ ከባቢ ንዘለዉ ጭዋዳታት መዓናጡና ክጽቀጡ ይገብር። ሽቓቕ ንጥቀመሉ መገዲ ኣብ ጥዕና ዝፈጥሮ ጽዕንቶ ብዙሓት ሰባት ደገ ንምውጻእ፡ ኮፍ ኣብ ዝብሉሉ እዋን ክጻዓሩ ['ኢሕታ' ክበዝሖም] ይረኣዩ። ነዚ ምኽንያት ካብ ዝኾኑ፡ ምግቢ ዘይምሕቓቕ፣ ድርቀት ቀልቀልን ሕማም መዓናጡን ይርከብዎም። ተመራመርቲ ከም ዝብልዎ፡ ደገ ንምውጻእ ኮፍ እንብለሉ ኣገባብ ኣብ ጥዕናና ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል'ዩ። ምዕራባውያን ዝጥቀሙሉ [እናተዘውተረ ዝመጽእ ዘሎ ዘመናዊ ዝበሃል ባዞ ሽቓቕ] ጠንቂ ጥዕና ከም ዝኾነ'ውን እቶም ተመራመርቲ የገንዝቡ። ምሁር ዩኒቨርሲቲ ኮርኔል፡ ፕሮፌሰር ኣሌክሳንደር ኪራ፡ ኣብ ክንዲ ብርክኻ ዓጺፍካ ኮፍ ምባል፡ ኮፍ መበሊ ኣብ ዘለዎም ባዞታት ሽቓቕ ምጥቃም ነቲ ጸገም ጥዕና ከም ዘጋድድ ይዛረብ። ኣብ ባዞ ሽቓቕ ኮፍ ክንብል ከለና ብርክና ካብ 90 ናብ 30 ዲግሪ ብምዕጻፍ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ከኣ ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ጸገም ጥዕና ከቃልሎ ይኽእል። ኣብ ቅድሚ ባዞ ሽቓቕ ሓጺር መንበር (ዱካ) ብምቕማጥ፡ እግርና ኣብ ልዕሊኡ ኮፍ ኣቢልና ንኽንጥቀም ተመራመርቲ ይምዕዱ። እግርና ሓፍ ክነብል ከለና መዓናጡና ንኸይተዓጻጸፉ ይሕግዝ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49752970"} {"headline":"\"ኣብ ዝኸድካ ኪድ ዓድኻ ዝመስልዎ የለን\"","content":"ኣቶ ኪዳነ ጋብር ካብ ሃገሩ ኤርትራ ተበጊሱ ናብ ዓዲ ጥልያን እንተምርሕ ክመሃር ኢሉ እዩ ነይሩ። ሕክምና ተማሂሩ 3 ዓመታት ምስ ኣገልገለ ግን ኣብ 1990 ናይ ሓበሻ መግብታት ዝሽየጠሉ ቤት ብልዒ ከፊቱ። ካብቶም ንሱ ዘዳልዎም መግብታት ዝያዳ ዝሽየጥ ግን ዝግኒ ከምዝኾነ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ጻኒሒት ገሊጹ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49265485"} {"headline":"ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝተራእየ ዕስለ ኣንበጣ ስግኣት ፈጢሩ","content":"ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወረዳ ራያ ዓዘቦን ሕንጣሎ ወጀራትን: ኣብ 8 ጣብያታት ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ከም ዝተርኣየ: ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ሓቢሩ። እዚ ካብ ክልል ዓፋር ሰጊሩ ዝመጸ ዕስለ ኣንበጣ፡ ነበርቲ እተን ዝዳበዋ ጣብያታት ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ ዘራእቶም ጉድኣት የብጽሕ ከም ዘሎ ተዛሪቦም። ካብ መንግስቲ ድማ ክንድ'ቲ ዝድለ ድጋፍ ከም ዘይረኸቡ ንቢቢሲ ሓቢሮም። ኣብ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ላዕለዋይ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ: ኣይተ ሚክኤለ ምሩፅ ግን ሰፊሕ ወፍሪ ምክልኻል ይካየድ ብምህላዉ፡ እቲ ዕስለ ኣብ ዝራእቲ ሓደጋ ኣየውርደን ኢሎም። ኣይተ ሚክኤለ \"ምስ ምቁርራፅ ዝናብ ክረምቲ: ለበዳ ባልዕ ክረአ ከምዝኽእል ኣቐዲሙ ስለ ዝተገመተ: ኣይተገራህናን\" ኢሎም። ገለ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ኣብ ገለ ጣብያታት ከም ማሸላን ጣፍን ዝበሉ ዘራእቲ ገለ ሃስያ ከም ዘስዓበ ተዛሪቦም። ኣባላት ጸጥታ እቲ ከባቢ ጥይት ብምትኳስ ነቲ ዕስለ ኣንበጣ ከሳጉግዎ ከም ዝፈተኑ'ውን'ቶም ነበርቲ ወሲኾም ሓቢሮም። ነባራይ ጣብያ ጨርጨር ዝኾነ ሓረስታይ ሹመይ ኣብርሃ፡ \"እቶም ፍሉይ ሓይሊን ሚሊሻን'ዮም ዝሓሹ እምበር፡ ኣብ ጨርጨርን ከባቢኣን ዝተገብረ ናይ መንግስቲ ሓገዝ ግን የለይ\" ብምባል፡ ነበርቲ ባዕሎም ከም ዝተኸላኸሉ ገሊጹ። እቶም በዓልስልጣን ሕርሻ፡ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ክረምቲ ሰነ 14: ኣብ 14 ወረዳታት ኣብ ዝርከባ 45 ጣብያታት ገጠር ትግራይ ብውሱን መጠን ተራእዩ ምንባሩን ብእዋኑ ከምዝተመከተን ተዛሪቦም። ነቲ ዕስለ ንምምካት ህዝቢ ብልማዳዊ መንገዲ ንምጥፋእ ወፊሩ'ሎ። መንግስቲ እውን ልዕሊ 1000 ሊትሮ ፈውሲ ናብቲ ከባቢ ኣቐዲሙ ከም ዝለኣኸ እቲ ቢሮ ገሊፁ'ሎ። እቲ ለበዳ ስፍሓቱ እንተወሲኹ ምስ መንግስቲ ፈደራል ብምዃን ብሄልኮፕተር ከሚካል ብምንፃግ ብቐሊሉ ንምጥፋእ ከም ዝተሃቀነ እውን ተፈሊጡ'ሎ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50173106"} {"headline":"'ኣብ ፒዛ ዝርከብ ካሎሪ ንምጥፋእ ናይ ኣርባዕተ ሰዓታት ጉዕዞ እግሪ የድሊ'' ተመራመርቲ","content":"ኣፍረይቲ ምግቢ፡ ኣብቲ ምግቢ ዘሎ ካሎሪ ንምቅጻል ክንደይ ዝኣክል ምንቅስቓስ ከምዘድሊ ኣብ መዐሸጊኡ ክገልጹ ኣለዎም ክብሉ ተመራመርቲ ዓባይ ብሪጣንያ ገሊጾም። እቶም ተመራመርቲ፡ ኣብ ፒዛ ዘሎ ጉልበት ንምቅጻል 4 ሰዓታት፡ ቸኮላታ ድማ ናይ 22 ደቒቓ ምንቅስቓስ ከም ዘድልዮ ዝገልጽ ሓበሬታ ብምንኣድ ብዛዕባ ኣብ ምግቢ ዘሎ ጉልበት ኣፍልጦ ንምርካብ ከምዝሕግዝ ገሊጾም። እቶም ጽሑፋት ሰባት ዓቂኖም ክጥቀሙ ከምዝሕግዙ መጽናዕቲታት ይሕብሩ። እቲ ዕላማ ሰባት ጥዑይ ኣመጋግባ ክህልዎም ብምትብባዕ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ ንምክልኻል እዩ። ተመራመርቲ ላፍቦሮ ዩኒቨርሲቲ፡ ኣብቶም ምግቢታት ዝቕመጡ ጽሑፋት ሓደ ሰብ ኣብ መዓልታዊ ዝጥቀሞ ምግቢ ብገምጋም ክሳብ 200 ካሎሪ ክቕንስ ከምዝሕግዝ ገሊጾም። ልዕሊ ክልተ ኢድ ብሪጣንያውያን ዓበይቲ፡ ካብ ዓቐን ዝሓለፈ ርጉዲ ኣለዎም። ተመራማሪት ፕሮፌሰር ኣማንዳ ዳለይ፡ ህዝቢ ብዝተፈላለየ መልክዑ ብዛዕባ ዝበልዖን ዝሰትዮን ጠቓሚ ውሳነ ክውስንን ኣካላዊ ንቕሓት ክህልዎን ንምሕጋዝ ድልየት ከምዘለዎም ብምግላጽ፡ መጠን ካሎሪ ንምጥፋእ ዝወስደሉ ግዜ ኣብ ምግቢታት ክጸሓፍ እንከሎ፡ ሰባት ዝምገብዎ ዘለዉ ነገራት ክርድኡ ከምዝሕግዝ ትዛረብ። ፕሮፌሰር ኣማንዳ፡ ሰባት ነቲ ዝወስድዎ ካሎሪ ንምቅጻል ክንደይ ዝኣክል ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክገብሩ ከምዘለዎም እንተዝፈልጡ ክድንግጹ ይኽእሉ እዮም ትብል። ''ሰባት ኣብ ምግቢ ዘሎ መጠን ካሎሪ ብዙሕ ግዘ የናእስዎ እዮም'' እትብል ፕሮፌሰር ኣማንዳ፡ ''ንኣብነት 500 ካሎሪ ዘለዎ ቸኮላታ እንተገዚእካ፤ 50 ደቒቓ ምጉያይ የድልየካ ማለት እዩ'' ትብል። ስለዚ ሰባት ምግቢ እንትወስዱ ብዛዕባ ነቲ ካሎሪ ንምውጋድ ዝኸፍልዎ ዋጋ ክሓስቡ ኣለዎም። ''ነቲ ዝበላዕኽዎ ቸኮላት ንምቅጻል ክልተ ሰዓት ክጎዪ ዶ ይግበኣኒ?'' ኢሎም ክሓስቡ ኣለዎም ትብል። ሮያል ሶሳይቲ፡ እቲ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ብቕልጡፍ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ዝደሊ። እቲ ትካል ''ኣናእሽቱ ለውጢታት ኣብ ኣጠቓቕማ ካሎሪ ኢሉ'ውን ኣብ ክብደት ለውጢ ከምጽኡ ይኽእሉ እዮም'' ይብል። እንተኾነ በዚ መልክዑ ካሎሪ ምግቢ ክግለጽ ምግባር ጸገም ኣመጋግባ ንዘለዎም ሰባት ከይጎድእ ስክፍታታት ዝፈጠረሎም 'ውን ኣለዉ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50754427"} {"headline":"ዘይፈልሐ ጸባ ንጥዕና ጠቓሚ ድዩ ጎዳኢ?","content":"ዘይፈልሐ፡ ብስነፍልጠት ድማ 'ፓስቸራይዝ' ዘይኮነ ጸባ ምስታይ፡ ዓቕሚ ምክልኻል ሕማም ናይ ኣካላትና ክብ ኪንዮ ምባል፡ ዝተፈላለዩ ኣለርጂታት ምክልኻልን ንስርዓተ ምሕቓቕ መግቢን ሓጋዚ እዩ። እንተኾነ ግን ጸባ ምፍላሕ፡ ናቱ ኣድላዪነት ኣለዎ። ኣብ ዘይፈልሐ ጸባ ዝርከቡ ባክቴርያ ንምቕታልን፡ ጸባ ከይተበላሸወ ንውሕ ንዝበለ ግዜ ክጸንሕን ሓጋዚ እዩ። ኣብ እንግሊዝ፣ ዌልስ፣ ስኮትላንድን ሰሜን አየርላንድን ፓስቸራይዝ ዘይኮነ ጸባ፡ ኣብ ማዕከላት ዕዳጋ ኮነ ንኣሽቱ ድኳናት ምሻጥ ብሕጊ ዝተኸልከለ እዩ። ንምዃኑ ጸባ ንጥዕና ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ? ብዙሓት ሰባት ጸባ ዝሰትዩ፡ ኣብ ውሽጡ ብዙሕ ማዕድናት ስለ ዝሓዘ እዩ። እንተኾነ ግና ኣብ ጸባ ዝርከቡ ገለ ቪታሚናት፡ ሙቐት ክጻወሩ ኣይክእሉን እዮም። እዚ ማለት ድማ ብሓዊ ዝሓለፈ ጸባ፡ ንኣካላትና ዝህቦ ጥቕሚ ብከፊል ኮነ ብምሉእ ይጠፍእ ማለት እዩ። ሓደ ኣብ ካናዳ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ግና ጸባ ክነፍልሕ ከሎና፡ ነቲ ጥቕምታቱ ናይ ምጥፋእ ዕድላት ሒደት ምዃኑ'ኳ እንተገለጸ፤ ቪታሚን ቢ2 ዝተባህለ ማዕድን ብምኽንያት እቲ ሙቐት ክጠፍእ ከም ዝኽእል ይሕብር። ገለ ሰባት ድማ ዘይፈልሐ ጸባ ምስታይ ዝመርጹ፡ ንኣካላትና ዝጠቕሙ ባክቴርያታት ኣለዎ ኢሎም ስለ ዝኣምኑ እዩ። ምፍላሕ ነቲ ጠቓምን ጎዳእን ባክቴርያ ይቐትል'ዩ። እንተኾነ ግና ኣብ ሓድሽ ካብ ላም ዝተሓልበ ጸባ ዝርከብ ቁጽሪ ጠቐምቲ ባክተርያ ብዙሕ ኣይኮነን። ጸባ ከይፈልሐ ንመዓልታት ክጸንሕ ከሎን ናብ ርግኦን ኣጅቦን ዝኣመሰሉ ፍርያት ምስ ተቐየረን ዝበዝሐ ጠቐምቲ ባክቴርያታት ይሕዝ። ብመዳይ ኣለርጂታት ምክልኻልን፡ ሕማም ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ክብ ኣብ ምባልን፡ ዘይፈልሐ ጸባ ብዙሕ ጥቕምታት ከም ዘለዎ'ኳ እንተ ተገለጸ፡ ዛጊት ኣዕጋቢ ውጽኢት ኣይተርኸበሉን። ብመሰረት ሓደ መጽናዕቲ፡ ብሕርሻ ዝናበሩ ስድራቤታት ዘለዎም ናይ ኣለርጂ መጠን ትሕት ዝበለን ሕማም ናይ ምጽዋር ኣቕሞም ልዑል ምዃኑ ተረጋጊጹ'ዩ። እንተኾነ ግና እዚ፡ ውጽኢት ዘይፈልሐ ጸባ ምስታዮም ምዃኑን ዘይምዃኑን፡ ርጉጽ ሓበሬታ ኣይተረኽበን። ትካል ደረጃታት መግቢ ዓዲ እንግሊዝ ብወገኑ፡ ኣብ ዘይፈልሐ ጸባ ዝርከቡ ተጓዳእቲ ባክተርያታት፡ ምምራዝ መግቢ ከስዕቡ ከም ዝኽእሉ ይገልጽ። ወሲኹ'ውን ሕማም ናይ ምጽዋር ኣቕሞም ትሑት ዝኾነ ነፍሰጾራት፡ ህጻናትን፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባትን ዘይፈልሐ ጸባ ክጥዕሙ'ውን የብሎምን ይብል። ዘይፈልሐ ጸባ፡ ሳልሞኔላ፡ ኢኮላይን ካምፒሎባክተር ዝበሃሉ ተጓዳእቲ ባክተርያታት ይርከብዎ። ዘይፈልሐ ጸባ ምስታይ ንጥዕና ሓደገኛ እዩ ይብል ኣብ ዩኒቨርስቲ ሰሬይ ዓዲ እንግሊዝ መምህር ማይክሮባዮሎጂ መገቢ ዝኾነ ዶክተር ዮርግ ጉቴሬዝ። ኣብ ዘይፈልሐ ጸባ ዝርከቡ ባክተርያታት ሕማማት መዓናጡ ከስዕቡን ናብ ሞት ከብጽሑን ከም ዝኽእሉውን የረድእ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50530788"} {"headline":"40 ሚሊዮን ዶላር ዘውጽእ ዋኒን ዝፈጠረ ምቁር ሓሳብ","content":"ታራ ቦሽ መስራቲትን ዋና ኣካያዲትን ናይ`ቲ ትሑት መጠን ሽኮር ዘለዎ ካራሜለ ዘፍሪ ትካል ስማርት ስዊትስ እያ። ንሳ ንነብሳ ከም \"ውልፍቲ ናይ ካራሜለ\"ነበር ገይራ`ያ ትገልጻ። \"ካራሜለ ወይ ሓለዋት ንምግዛእ መዓልታዊ ኣብ 7-11 [ካራሜለ ዝሽየጠሉ ቦታ ምዃኑ`ዩ] እርከብ ነይረ\" ትብል`ታ ጓል 25 ዓመት ታራ። \"እናዓበኹ ምስ ከድኩ ግን ሽኮር ክሳብ ክንደይ ንቕርጺ ኣካላተይ፣ ንያተይን ብዛዕብኡ ዝነበረኒ ኣረኣእያን ይትንክፎ ከምዝነበረ ተረዲኡኒ\" ድማ ትብል። ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ዘይሕጉስትን ዘይጥዕይትን ከምዝነበረት ምስ ተረድአት ግን፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ሽኮራዊ መግቢ ምብላዕ ደው ኣቢላ። ኣብ ኣዝዩ ሓጺር እዋን ድማ ጽቡቕ ክስመዓ ከምዝጀመረ ትገልጽ። እንተኾነ ግን ነቲ ትወስዶ ዝነበረት ሽኮራዊ መግቢ ስለ ዝናፈቐቶ ኣብ ክሽነ ናይ`ቲ ኣብ ከተማ ቫንኮቨር ናይ ካናዳ ኮይና ሽኮር ዘይኣተዎ ናይ ባዕላ ኣማራጺታት ከተዳሉ ጀሚራ። ኣብ ሓጋይ ናይ 2015 ዓይነታት ኣሰራርሓ ድሕሪ ምፍታና ድማ \"ሃሰው ኣብ ምባል ከይደ\" ትብል። ብስርሓ ዕግበት ምስ ረኸበት ድማ ናይ ንግዲ ዕድል ክህሉ ከምዝኽእል ተረድእ። ኣብ ቀውዒ ናይ`ቲ እዋን`ቲ ድማ ዝላ ናይ እምነት ብምግባር ነቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብሪቲሽ ኮሎምቢያ፡ ትወስዶ ዝነበረት ትምህርቲ ስነ-ጥበባት ዓውደ-ፍልጠት ኣቋሪጻ ነቲ ናይ ንግዲ ሓሳባታ ንምትግባር ኣንቂዳ። ጓል 21 ዓመት ጥራይ ብምንባራ ናይ ልቓሕ ኣፍልጦኣ ድሩት`ዩ ነይሩ፡ እታ እንኮ ርእሰ-ማላ ሓንቲ ሽዱሽተ ዓመት ዝገበረት ሆንዳ ዝዓይነታ መኪና ጥራይ`ያ ነይራ። ንመፈተኒ ዝኸውን መርኣያን ርእሰ-ተኣማንነትን ተዓጢቓ ግን መበገሲ ዝኾና 105,000 ዶላር ናይ ካናዳ ክትረክብ ክኢላ። እዛ ኣብ ቫንኮቨር ዝመደበራ ኩባኒያ ስማርት ስዊትስ ናይ 2019 እቶታት ልዕሊ 50 ሚሊዮን ናይ ካናዳ ዶላር ክበጽሕ`ዩ። ዓይነታት ምህርትታታ ኣብ ጽላት ናይ`ቲ ኣብ ኣሜሪካን ካናዳን ብናህሪ ዝዓቢ ዘሎ ትሑት ሽኮር ዘለዎም ካራሜላታት መሪሕ ዕዳጋ`ዮም። \"ሎምዘመን ህዝቢ ልዕሊ ሓደ ቢሊዮን ግራም ሽኮር ክንክይ ንሕግዝ ኣለና\" ትብል ንሳ። ታራ ነቲ ንመጀመሪ ዝኾና ርእሰ- ማል ንምርካብ ናይ ክልተ ዓመት ናይ ዕቤት ትንበያ ዘለዎ ጽጹይ ዝኾነ ናይ ንግዲ ውጥን ከተዳሉ ነይርዋ። ብዘይ ምፍራሕ ድማ ናይ ህይወት መድሕን ክትወስድ ናይ ግድን ነይሩ። \"ሓደ ካብ ጠለባት ናይ`ቶም ኣብ`ቲ ውዕል ዝተሳተፉ ኣካላት መድሕን ህይወት ምውሳድ`ዩ ነይሩ፡ ንዕኦም ዘርብሕ ድማ ክኸውን ነይርዎ\" ኢላ ታራ። እትወስዶ ሽኮር ንምንካት ትውጥን እንተደኣ ሃሊኻ`ሞ ምቁር ስኒ እንተሃልዩካ፡ ካብ ሽኮር ነጻ ዝኾነ ካራሜላ ምውሳድ ኣቲ ዝበለጸ`ዩ ይብሉ ክኢላታትታ ኣመጋግባ። እንተኾነ ግን ትሕዝቶ ካርቦሃይድሬት ክህልዎም ይኽእል`ዩ፡ ገሊኦም ድማ ዓቢ ካሎሪ ክህልዎም ስለዝኽእል ዓቢ ዝቕባበ ስብሒ ክህልዎም ይኽእል። \"ዋላ`ኳ ሓደ ምህርቲ `ሽኮር የብሉን እንተተባህለ` ጥዕና ይህብ`ዩ ማለት ከምዘይኮነ ግን ምዝካር የድሊ\" ኢሉ ይምዕድ ማሕበር ልቢ ኣሜሪካ። ሓደ ሓደ ዜሮ መጠን ካሎሪ ዘለዎም መማቕርቲ [ስዊትነርስ] ሸውሃት ክኸፍቱ ከምዝኽእሉ ሓደ ሓደ መጽናዕትታት ሓቢሮም። እዚ ድማ መጠን ዝወስድዎ ካሎሪ ክድርቱ ንዝጽዕሩ ሰባት ይዕንቅጽ። ታራ፡ እቲ ዘድልያ ለቓሕ ምስ ረኸበት፡ ኣምረትትን ኣቕረብት ንምንዳይ ኣብ ኢንተርነት ሃሰስ ክትብል ጀሚራ። \"ኣብ ሓጺር እዋን፡ ፍረ ዘይብሉ ተደጋጋሚ መስርሕ ምፍታንን ምግጋይን [ትራያል ኤንድ ኤረር] ተጀሚሩ፡ ተደጋጋሚ ናይ ሃሰሰ-ለባም ፈተነታት ድማ ስዒቡ \" ትብል ንሳ። ነቶም ባህላውያን ምቁራት ካራሜላታት ንምቕያዕ\/ንምቕዳሕ፡ ታራ ኣብ ተኽሊ ዝተመርኮሰ ጽሕጊታትን እቲ ስተቪያ ዝተባህለ ናይ ተፈጥሮ መማቕርቲ`ውን ፈተነት። ናይ ፈለማ ዓማዊል ንምርካብ ድማ ኢመይል፣ ቴለፎን፡ ብኣካል ምዝርራብን \"ሊንክድኢኒንግ\"ን ተጠቒማ። እታ ኣብ ቫንኮቨር ዝመደበራ ቾይስስ ማርኬት ድማ ፈላሚት ተቐባሊትን ሸያጢትን ምህርቲ ናይ ታራ ንምዃን ውዕል ከቲማ። ኣብ`ታ ፈላሚት ርክብ ኣዝያ ተጨኒቓ ከምዝነበረት ትዝክር ታራ። \"ብቐጻሊ ተሌፎን ደዊለሎምን ኢመይል ጽሒፈሎምን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ብኣካል መጺእኪ ኣዘራርብና ኢሎሙኒ\" ኢላ ንሳ። \"ኣብ ኣፍደጊኦም ምስ በጻሕኩ ግን ኣዝየ ተጨኒቐ ስለዝነብረኩ፡ ብፍርሒ ዝኣክል ጥራይ ከይረኸብኩዎም መኪናይ ኣልዒለ ተመሊሰ ከይደ። \"መሊሰ ድማ ተመሊሰ ከይደ ረኺበዮም ተዛቲና። ፈለምቲ ሸየጥቲ ስማርት ስዊትስ ናተይ ድማ ኮይኖም\"። ድሕሪ ሓጺር እዋን ድማ ንኣሽቱ ድኳናት ካናዳ ኣሰሮም ተኸቲለን። \"ከም ዝበልክዎ፡ ዘይምህላል`ዩ\" ትብል ታራ። \"ወነንቲ ትካላት ንምርኻብን ምዝታይን ሕራይ ክሳብ ዝብሉ፡ ብኢመይልን ብኣካል እናረኸብኩን ከይተሓለልኩ ብጽንዓት ኣእሚነዮም\"። ታራ ናይ ፈለማ ኣሜርካውያን ዓማዊላ ኣብ 2018 ረኺባ፡ ኣብ እዋን`ዚ ድማ 80 ሚእታዊ ስማርት ስዊትስ ኣብ ኣሜሪካ ይሽየጥ። ሕጂ ድማ መሸጣ ናይ ስማርት ስዊትስ ብመንገዲ ኣቕረብቲ ይሽየጥ። ኣሜሪካዊ ዋኒንተኛ መግብን ሃንዳሳይን ስኮት ሰመል ብናይ ታራ \"ዊንታ\" ከምዝተመሰጠ ይዛረብ። \"ዓመታዊ 50 ሚሊዮን ዶላር እቶት ዘለዎ ትካል ኣዝዩ ዕዉት`ዩ\" እቲ ናይ ባዕሉ ኩባኒያ ከረሜላ ኣብ 2016 ዝሸጠ። \"ጽላት ከረሜላ ብውሑዳት ዓበይቲ ትካላት ዝተባሕተ ብምዃኑ ሓሙሽተ ሚሊዮን ዶላር ንምርካብ`ውን ቀሊል ኣይኮነን። እቲ ብዛዕባ ታራ ኣብ 2019፡ 50 ሚሊዮን ዶላር መኽሰብ ምርካባ ዝያዳ ዝምስጠካ ነገር ድማ እቲ ናብ`ኡ ንምብጻሕ ዝወሰደላ ሓጺር እዋን`ዩ። \"ታራ ልዑል ተሰምዖ ናይ`ቲ ዕዳጋ ኣለዋ፡ ኣዝያ ኣቐዲማ ድማ`ያ ትሓስብ\"። እታ ሕጂ ን47 ሰባት ቆጺራ እተስርሕ ታራ ስማርት ስዊትስ ካብ ሰሜን ኣሜሪካ ወጻኢ ሰደድ ክትገብር ትሓስብ። ዓወት ናይ`ቲ ኩባንያ ብጻዕርን ቆራጽነትን`ዩ መጺኡ ትብል ንሳ። \"ዕውትቲ ንምዃን ክሳብ ክንዲ`ቲ ጥቅውቲ ወይ ኣትለቲካዊት ኣይነበርኩን,\" ትብል ታራ። \"ብሓቂ ባህርያዊ ተርባጽ፣ ብልሓተኝነትን ናይ ምትግባር ታለንት ደኣ`ምበር ፍሉይ ክእለት ኣይነበረንን። \"ሓይሊ ናይ`ዞም ሰለስተ ነገራት ተወሃሂዱ ድማ`ዩ ንስማርት ስዊትስ ኣብ`ዚ ኣብጽሒዋ\" ኢላ ታራ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50245275"} {"headline":"ኣህጉራዊ መዓልቲ ድኽነት፡ ቁጽሪ ድኻታት ናይ ብሓቂ ይንኪ'ሎ ድዩ?","content":"ጸብጻብ ባንኪ ዓለም፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ወለዶ፡ ልዕሊ 1.1 ቢልዮን ህዝቢ ዓለም ካብ ድኽነት ከም ዝወጽአ ይሕብር። እዚ ኸኣ እዛ ዓለም ኣብ ውሽጢ እዚ ዘመን እዚ፡ ካብ ዘመዝገበቶም ዓወታት እቲ ዘሐጉስ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ይጠቕስ። ካብ 1990 ክሳብ 2015 ኣብ ዘሎ ዓመታት፡ ቁጽሪ ኣብ መስመር ድኽነት ዝነበሩ ኣስታት 1.9 ቢልዮን ሰባት (ትሕቲ 1.90 ዶላር ንመዓልቲ ኣታዊ ዘለዎም)፡ ናብ 735 ሚልዮን ጎዲሉ፡ እዚ ማለት ቁጽሪ ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ናይ ዝነብሩ ህዝቢ ዓለም ካብ 36 ሚእታዊት ናብ 10 ሚእታዊት ጎዲሉ ይርከብ። እንተኾነ ቃልሲ ኣንጻር ድኽነት ዝውዳእ ከምዘይኮነ'ዮም ክኢላታት ስነ ቁጠባ ዝሕብሩ። ማርቲን ራቫላን ዳይረክትር መጽናዕትን ምክትል ፕረዚደንት ባንኪ ዓለም ዝነበረ እዩ \"ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ድኽነትን ሰፊሕ ማሕበራዊ ለውጥን እቲ ቀንዲ ብድሆ ዘይምዕሩይ ለውጢ'ዩ\" ይብል። 'ክልተ ዓይነት ፍጥነት' ብመሰረት ጸብጻብ ባንኪ ዓለም፡ ሰፊሕ ዘይኮነ ዕብየት፡ ቁጠባዊ ዝሕታለ፡ ከምኡ እውን ኣብ ዓለም ዘሎ ግርጭታት ንገለ ሃገራት ኣብ ምጥፋእ ድኽንት ዝገብረኦ ዘለዋ ቃልሲ ርኡይ ለውጢ ንኸየመዝግባ ካብ ዝዓገተን ረቋሒታት ምዃኑ ይሕብር። እንተኾነ፡ ኣብ ቻይናን ህንድን ቢልዮናት ኣህዛብ ካብ መስመር ድኽነት ክወጽኡ ክኢሎም እዮም። ኣብ ትሕተ ሳህራ ዘለዋ ሃገራት ግን ብዝሑ ትሕቲ መስመር ድኽነት ናይ ዘለዉ ህዝቢ ካብቲ ቅድሚ 25 ዓመታት ዝነበሮ ዛይዱ ይርከብ። ኣብ ባንኪ ዓለም ዳይረክተር ምቁጽጻር ድኽነት ዝኾነት ካሮሊና ሳንቸዝ ፓራሞ፡ \"ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ዓሰርት ዓመታት፡ ዓለም ኣንጻር ድኽነት ኣብ እትገብሮ ዘላ ቃልሲ ብኽልተ ዓይነት ፍጥነት እያ ትኸይድ ዘላ\" ትብል። ካብቶም ቀንዲ ኣርባዕተ ረቋሒታት ዝበለቶም ከኣ ንቢቢሲ ኣካፊላ'ላ። 1. ኣብ ቁጠባዊ ዕብየት ዘሎ ዝተፈላለየ ዓይነት ቅልጣፈ \"ኣብቲ ዝተሓተን መሰረታውን ዝኾነ ዕቤት እንተርኢና፡ ኣብ ትሕተ ሳህራ፡ ኣብ ላቲን ኣሜሪካን፤ ደቡብ ኤስያን ዘለዋ ሃገራት ትሑት ዝኾነ ውጽኢት'የን ኣመዝጊበን። እዚ ምስቲ ቅልጡፍ ወሰኽ ብዝሒ ህዝቢ እዘን ሃገራት፡ ትሑት ፍርያምነት ብምንጽጻር ኣብ ዝተሓተ መስመር ድኽነት እየን ዝርከባ\" ትብል። \"ሃገራት ዕቤት ዘየርእያ እንድሕር ኮይነን፡ ንድኽነት ንምጥፋእ ኣብ ዝገብረኦ ቃልሲ ዓወት ክሕረመን ግድን'ዩ። ምኽንያቱ ምዕባለ ካብ ምዕሩይ ዝርገሐ እዩ ክመጽእ ዘለዎ\" ክትብል ትውስኽ። 2. ርሒብ ዘይኮነ ዕብየት ቀጸልነት ዘለዎ ቁጠባዊ ዕብየት ሓደ ኣገዳሲ ረቋሒ ኮይኑ፡ ድኽነት ኣብ ምጥፋእ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ግን፡ ቀጻልነት ዘለዎ ቁጠባዊ ዕብየት ንበይኑ ኣኻሊ ከምዘይኮነ'ያ ካሮሊና ሳንቸዝ ፓራሞ ትጠቅስ። ኣብ ገለ ሃገራት ጽቡቕ ዕብየት ኣርእየን ክንሰን፡ ቁጽር ድኻታት እተን ሃገራት ግን ክነኪ ኣይተራእየን፡ ኣብ ተሕተ ሳህራ ዘለዋ ሃገራት ሃገራት ከም ኣብነት እንተተወሲደን፡ እቲ ዝተኸለኦ ቁጠባ ንውሑዳት ጥራይ ናይ ስራሕ ዕድል ዝፈጠረ'ዩ፡ ትብል ካሮሊና ሳንቸዝ ፓራሞ። ቀጺላ \"ንድኻታት ስራሕ እቲ ቀንዲ ምንጪ ኣታዊኦም'ዩ፡ እኩል ናይ ስራሕ ዕድላት እንተዘይረኺቦም ግን ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ድኽነት ዓወት ክምዝገብ ኣይክእልን'ዩ\"። 3. ቀረብ ትሕተ ቅርጺ ቁጠባቂ ብልጻገ ሰባት ኣታዊ ስለዘለዎም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ቀረብ ትምህርትን ቀረብ ፋይናንስያውያን ትካላትን ትሕተ ቅርጽን እውን ምስ ዝህልዎም እዩ። ካሮሊና ሳንቸዝ ፓራሞ፡ እዞም ረቋሒታት እዚኦም ምስ ዝጎድሉ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ዝምዝገብ ብራኸ ዕብየት ኣሉታዊ ተራ ከምዝህልዎም እያ ትጠቅስ። ኣብ ማለዥያን ደቡባውን ምብራቕን አስያ ንዘሎ ኩነታት ኸኣ ከም ኣብነት ተቕርብ \"ብውሑዱ እዞም ኩሎም ረቋሒታት ብሓደ ይኸዱ ኣለዉ\" ትብል። ብዓምለኻዊ መዐቀኒታት ኣብ መለዥያ መጠን ድኸነት፡ ካብ 2013 ጀሚሩ ዚሮ እዩ ዘሎ፡ እታ ሃገር ብእትህቦ መስፈር ግን 'ገና ኣለኹ\" እያ ትብል። ብምነጽጻር፡ ኣብ ብራዚል መጠን ደኽነት ካብቲ ኣብ 1990 ዝነበሮ 21.6 ሚእታዊት፡ ኣብ 2014 ናብ 2.8 ሚእታዊት ጎዲሉ ነይሩ። ኣብ 2017 ናብ 4.8 ሚእታዊት ክብ ብምባሉ ግን ኣብ ህይወት ልዕሊ 10 ሚልዮን ኣሉታዊ ጽልዋ ከምጽእ ክኢሉ'ዩ። 4. ግርጭት ኣብ ገለ ገለ ሃገራት፡ ፖሎቲካውን ህዝባውን ግርጭታት ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ድኽነት ክምዝገብ ዝነበሮ ዓወታት ካብ ዝዓንቐጸ ረቋሒታት ሓደ እዩ። \"እተን ኣብ ግርጭት ዘለዋ ሃገራት ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ድኽነት ዘመዝገበኦ ዓወታት ምስተን ኣብ ርግኣት ዘለዋ ሃገራት ዘመዝገበኦ ዓወታት ብምውድዳር፡ ግርጭት ሓደ ዓንቃጺ ነገር ምኳኑ ንምርዳእ ኣየሸግርን\" ትብል ካሮሊና ሳንቸዝ ፓራሞ። ኣብ 2015፡ ፍርቂ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ትሕቲ ድኽነት ዝርከቡ ህዝቢ ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት ዝተዘርገሐ እዩ፡ ኣብ ህንዲ፡ ናይጀርያ፡ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኢንዮጵያን ባንግላድሽን። ክኢላታት ስነቁጠባ ከም ዝሕብርዎ፡ ናይጀርያ ነታ ብብዝሒ ድኻታት ኣብ ቅድሚት ዘላ ህንዲ ክትቅድማ ከም እትክእል ይሕብሩ። ዋላ እኳ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ድክነት ጽቡቅ ገስጋስ እንተኣርኣያ፡ ኣብ ትሕተ ሳህራ ካብ ዘለዋ ሃገራት ግን ግስጋሰኣን ድሩት እዩ ዘሎ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50078532"} {"headline":"\"ኣብ ሓደ ስድራ ሸኮርያ ዝሓመመ እንተሃልዩ፡ ኩሉ ኣባል ክምርመር ኣለዎ\" ዶ\/ር መርሃዊት","content":"ውድብ ሕቡራት፡ በብዓመቱ 14 ሕዳር ዓለም ለኸ መዓልቲ ሕማም ሽኮርያ (ሽኮር) ኮይና ክትዝከር ክውስን ከሎ፡ ብዛዕባ ሸኮር ግንዛበ ሕብረተሰብ ንምዕባይ ዓሊሙ'ዩ። ኣብ መወከሲ (ሪፈራል) ሆስፒታል ዓይደር መቐለ ስፔሻሊስት ውሽጣዊ ሕማማት ዶክተር መርሃዊት ኣጽበሃ፡ ሕማም ሽኮር ዓይነት 1ን ዓይነት 2ን [Type 1, Type 2] ብዝብል ኣብ ክልተ ከምዝምቀል ትዛረብ። \"እቲ ዓይነት ሓደ ዝበሃል፡ ሰብነትና ንውህደት ግሉኮስ ዝኸውን ኢንሱሉን ዝበሃል ሆርሞን ከየመንጨወ ክተርፍ ከሎ የዘጋጥም። ዓይነት ክልተ ከኣ እቲ ኢንሱሊን መንጪዩ ከሎ ግን ከኣ ክሰርሓሉ ዝግባእ ቦታ ከይሰርሐ ምስዝተርፍ'ዩ ዝፍጠር\" ክትብል ተረድእ። መንቀሊ ክልቲኦም ዓይነታት ሽኮርያ ዝተፈላለየ ከም ዝኾነ እትገልጽ ዶክተር መርሃዊት፡ ዓይነት-1 ዝበሃል ካብ መሰረቱ ብዛዕባ መንቀሊኡ ምፍላጥ ኣጸጋሚ ከም ዝኾነ ትዛረብ። \"ዓይነት-2 ግን ብዙሓት መበገሲታት ኣለውዎ። ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ፣ ብዝሒ ወይ ጸቕጢ ደም፣ ካብ ቤተሰብ ግዳይ እቲ ሕማም እንተልዩ፣ ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ልዕሊ ክብደት ቆልዓ ወሊደን እንተነይረን ወይ ኣብ እዋን ጥንሲ ልዕሊ መጠን ርጉዲ ኣጋጢምወን እንተነይሩ፡ ነቲ ሕማም ካብ ዘቃልዑ ምኽንያታት'ዮም\" ትብል። ንሳ ከምዝበለቶ፡ ካብዚ ብተወሳኺ እኹል ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይገብሩ ሰባት በዚ ዓይነት ክልተ ሕማም ሽኮር ክትሓዙ ዝኽእልሉ ኣጋጣሚ ክፍጠር ይኽእል'ዩ። \"ሽኮር ወይ ካርቦሃይድሬት ዘለዎም መግብታት ኣብዚሕኻ ምውሳድ ናብ ርጉዲ [ልዕሊ ዓቐን ክብደት] የቃልዐና እዩ። ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ ከኣ ንሕማም ሽኮር ከኸትሉ ካብ ዝኽእሉ ምኽንያት ሓደ እዩ\" ክትብል ገሊጻ። ካርቦሃይደሬት ዝበዝሖም መግብታት መጠኖም ምቁጽጻር ኣገዳሲ ከምዝኾነ እትሕብር ዶክተር መርሃዊት፡ ብፍላይ ግዳያት እቲ ሕማም ምዃኖም ዝፈለጡ ሰባት ካብዞም መግብታትን ሽኮር ዘለዎም ነገራትን ክቑጠቡ ትምዕድ። \"ናይ ሃብታማት ሕማም!\" ዶክተር መርሃዊት ብዛዕባ'ዚ ሕማም ኣብ ሕብረተሰብ ዝረኣዩ ግጉያት ኣተሓሳስባታትን እምነታትን ከምዘለዉ ትገልጽ። ሕማም ሽኮር ሰብ ካብ ሰብ ዝፈልየሉ ምኽንያት ከምዘየለ ድማ ተረድእ። \"እቲ ሕማም ኣብ ኩሉ ዝረአ ጸገም ጥዕና እዩ። ኣብ ህጻናት፣ ደቂኣንስትዮ፣ መናእሰይ ኮታስ ኣብ ኩሉ ከጋጥም ይኽእል\" ብምባል፡ ዓይነት-2 ግን ኣብ ዓበይቲ ብስፍሓት ዝረኣየሉ ምኽንያት ከምዘሎ ትገልጽ። \"ዕድመ እናወሰኽካ ክትኸይድ ከለኻ ነቲ ሕማም ዘቃልዑ ምኽንያታት እናወሰኹ ይመጽኡ። ኣብ ዓለምና ብብዝሒ ዝረአ ዓይነት-2 ኮይኑ ኣብ ህጻናት'ውን ክሳብ 10 ሚኢታዊት ዘጋጥም ሕማም'ዩ\" ትብል። ንሳ፡ በቲ ንተቓላዕነትካ ዘጋድዱ ምኽንያታት እናወሰኸ ምምጻእ እምበር፡ እቲ ሕማም ግን ብተፈጥርኡ ንዕድመ ዝመርጽ ከምዘይኮነ ሓቢራ። ኣብ ነብሰጾራት፣ ደቂኣንስትዮን ተባዕትዮን ብዘይገለ ኣፈላላይ ክረኣይ ይኽእል'ዩ። \"ብዕድመ ኮነ ጾታ ፈላሊና ከጋጥም ኣይክእልን ኢልና ክንዛረብ ኣይንኽእል\" ትብል ዶክተር መርሃዊት። እቲ ሕማም ናይ ሃብታማት ወይ ኣብ ምቹእ ኩነታት ዝነብሩ ሰባት ጥራሕ ገይርካ ምቑጻር ግጉይ ኣረዳድኣ ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ትሑት መነባብሮ ዘለዉን ገጠራት ዝነብሩ ካፍላት ሕብረተሰብን'ውን ግዳያት ከምዘለዉ ገሊጻ። \"ዝርግሕኡ ድማ [ኣብ ኢትዮጵያ] ይውስኽ ከምዘሎ መጽናዕትታት ይሕብሩ። ኣብ ትግራይ'ውን ብተመሳሳሊ እናወሰኸ ይርከብ። ካብ ዓመት ናብ ዓመት ይሰፍሕ ኣሎ። ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ሳህራ ካብ ዝርከባ ሃገራት ብስፍሓት ሕማም ሽኮርያ ኣብ ቅድሚት ትርከብ\" ኢላ። ዶክተር መርሃዊት ሰባት እቲ ሕማም ይሕዞም ከምዘሎ ክፈልጡ ዝኽእሉሉ ኩነታት ኣብ ዓይነት-1 ን ዓይነት-2 ከምዝፈላለ'ያ ትገልጽ። \"ኣብ ዓይነት ሓደ ቐዲምና ክንፈልጠሉ ንኽእል መገዲ የለን። ምስፈለጥካ ብቕልጡፍ ሕክምና ክትረክብ ምኽኣል'ዩ ዘሎ ኣማራጺ። ኣብ ዓይነት-2 እውን ምልክታት ከይተርኣየ ዝጸንሓሉ ኩነታት ኣሎ\" ትብል። እቲ ሕማም እናሃለዎም ክሳብ 10 ዓመት ምልክታት ከይረኣዩ ዝጸንሑ ሰባት ክህልዉ ይኽእሉ'ዮም። ነዚ ከምመፍትሒ ክኸውን ዝኽእል ከኣ ምርመራ ምግባር ከምዝኾነ ኣዘኻኺራ። \"ብፍላይ ዕድሚኦም ልዕሊ 45 ዓመት ዝኾኑ ሰባት ኩልግዜ በቢሰለስተ ዓመት ምርመራ ክገብሩ ይምከር። ኣብ ኣባላት ስድራና'ውን ግዳይ ሕማም ሸኮር እንተሃልዩ ድማ ኩሉ ኣባል ክምርመር ኣለዎ\" ትብል። እዚ ኣገዳሲ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ እቲ ሕማም ብዘርኢ ናይ ምትሕልላፍተኽእሎ ስለዘለዎ እዩ። ዶክተር መርሃዊት ነቲ ሕማም 50 ሚኢታዊት ብኣጋ ምክልኻል ከምዝከኣል ትዛረብ። \"ኣብ ኣመጋግባ ጥንቃቐ ብምግባር፣ መዓልታዊ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ብምክያድ፣ ሽጋራን ኣልኮላዊ መስተን ብምንካይ ክንከላኸሎ ንኽእል ኢና\" ክትብል ትምዕድ። ሕማም ሽኮር ምሉእ ብምሉእ ክፍወስ ወይ ከጥፍእ ዝኽእል መድሓኒ ኣይተረኸቦን። ንግዳያት ዝወሃቡ መድሓኒታት ግን ኣለዉ። ተሓከምቲ ክመጽኡ ከለዉ ሰለስተ ዓበይቲ ነገራት ከምዝምከሩ ትረዛብ ዶከተር መርሃዊት። \"እቲ ሓደ መድሓኒቶም ብግቡእ ክወስዱ'ዩ፤ ካልኣይ ከኣ ኣመጋግብኦም ይምልከት። ካርቦሃይድሬት ዝበዝሖም መግቢታት ኣዘውቲርካ ዘይምውሳድ። ኣሕምልቲን ፍረታትን ከብዝሑ ኣለዎም። እቲ ሳልሳይ ነገር ኣብ ሰሙን እንተወሓደ ሓሙሽተ መዓልቲ ን30 ደቒቓ ዝኸኣልዎ ዓይነት ስፖርት ክሰርሑ ኢና ንምዕዶም\" ኢላ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/50414936"} {"headline":"ኣብ ትግራይ ዝኣተወ ዕስለ ኣንበጣ ንምክልኻል ህዝቢ ልዑል ምርብራብ የካይድ ኣሎ","content":"ብክልል ዓፋር ኣቢሉ ኣብ መዋስንቲ እቲ ክልል ናብ ዝነበረ ደቡብ ትግራይ ራያ ዓዘቦ ዝኣተወ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ፡ ሎምዓልቲ ኣብ እንደርታን ክልተኣውላዕሎን በፂሑ። ኣብ ከተማ መቐለ ዝርክቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ተምሃሮን ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ትግራይን ነቲ ኣብ መቐለ ከባቢ መሰቦ ዝዓረፈ ኣንበጣ ይከላኸሉ ኣለዉ። ኣብ መሰቦ ዝባን ሓሪና ዘሎ ዝነቐፀ ኣእኻል ከይጥቃዕ ጥንቃቐ ይግበር'ሎ። መድሓኒት ትነፅግ ኣውሮፕላን ኣብ መቐለ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ከምእትርከብ ዝገለፁ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ኣይተ ሚክኤለ ምሩፅ: መድሓኒት ኣብ ዘራእቲ ንምንፃግ ኣብ ልዕሊ ሰብን ጥሪትን ሓደጋ ከየብፅሕ ተሰጊኡ'ሎ ኢሎም። ሓረስቶት ጣብያ መሰቦ ቁሸት ሓረና: ኣይተ ንጉስ ኣድሃና:ኣይተ ገብረኪሮስ ሓጎስን ኣይተ ገብረኪዳኑን ኣእኻል ኣብ እዋን ስለዝነቐፀን ብቕልጡፍ ስለዝዓፀዱን ካብቲ ሓደጋ ኣምሊጡ እዩ ይብሉ። ኮይኑ ግና ኣብቲ ከባቢ ገና ዘይነቐፀ ግራት ጣፍ:ሰበረን ዓተርን ስለዘሎ ከይጥቅዓ ግቡእ ምክልኻል ክግበር ኣለዎ። መንኣሰይ ገብረኣነንያ ገብረኪሮስን ግርማይ ካሕሳይን ኣእኻሎም ካብ ኣንበጣ ንምድሓን ዝሓለፈ ሰኑይ ዝዓፀድዎ ስገም ሎምዓልቲ የኽይድዎ ኣለዉ። ገብረኪሮስ \"ካብ ኣንበጣስ ኣምሊጥና ኢና\" ይብል። ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ትግራይ'ውን ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ምክልኻል ኣብ ጎኒ ህዝቢ ደው ኢሎም ይሰርሑ ኣለዉ። ሎምዓልቲ ንጉሆ ኣብ መሰቦ ቁሸት ሓረና ጠያይቲ ከይተረፈ እናተኮሱ ክከላኸሉ ኣርፊዶም። ኣይተ ሚክኤል ምሩፅ ሎሚ ወጋሕታ መድሓኒት ነፂግና ኢና ይብሉ፤ ሓረስቶት ቁሸት ሓረና ግና መድሓኒት እንትነፅጉ ኣይረኣናን ኢሎም። ነቲ ካብ ህዝቢ ዝቐርብ ዘሎ ነቐፌታ እንትምልሱ: \"መድሓኒት ቀትሪ እንትንፀግ ስለዘይረኣዩ እዮም መድሓኒት ኣይንፀግን ዘሎ ዝብሉ ዘለዉ: እምበር መድሓኒት ወጋሕታ ሰዓት 10 ኣትሒዙ ይንፀግ ኣሎ\" ኢሎም።ንህዝቢ ዘተሓባብርን ዝመርሕን ዘሎ በብደረጅኡ ዘሎ ኣመራሓ መንግስቲ ከምዝኾነ ክፍለጥ ከምዘለዎ'ውን ሓቢሮም። እቲ ዕስለ ኣብ ዝባን መሰቦ ብሓይሊ ንፋስ እናተደፈአ ናብ ኣንፈት ክልተኣውላዕሎ የምርሕ'ሎ። ብርክት ዝበሉ ሰባት፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ትግራይ ዝርከቡ ሓረስቶት፡ ዝነቐፀ ኣእኻሎም ብእዋኑ ክዓፅዱን ክኹልስሱን ይምዕዱ። ኣብ ብርክት ዝበላ ጣብያታት ገጠር ኣትዩ ዝነበረ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ: ሎምዓልቲ ብዘይካ ኣብ ክልተ ጣብያታት ራያ ዓዘቦ ካብ ካልኦት ከምዝወፀአ ተገሊፁ'ሎ። ምክትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሕርሻን ልምዓት ገጠርን እቲ ወረዳ ኣይተ ማናዬ ጌታሁን ንቢቢሲ ከምዝገለፅዎ: ሎምዓልቲ ንጉሆ ኣብ ጣብያ ማሩ ብኣውሮፕላን መድሓኒት ተነፂጉ'ዩ። ኮይኑ ግና እኹል ምድላው ከይተገበረ ስለዝተጀመረ ዘንጊዑ ከምዝተነፀገ ተዛሪቦም። \"ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ጣብያ ማሩ ዓሊቡ ዝሓደረ ዕስለ ኣንበጣ ናብ ጣብያ ኢርባ ኣትዩ'ሎ\" ኢሎም። መናእሰይ መቐለን ዓዲግራትን ብፍላይ ደገፍቲ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ መቐለ ሰብዓ እንደርታን ወልዋሎን ቀዳመሰንበት ናብ ራያዓዘቦን ሕንጣሎ ወጀራትን ወፊሮም፡ ንሓረስቶት ከምዝሓገዙ ይዝከር። ኣብ ክልተኣውላዕሎ ዝበፀሐ ዕስለ ኣንበጣ ድማ ብሓይሊ ህዝቢ ከምዝተመከተ ተገሊጹ። ብርክት ዝበለ ህዝቢ ከተማ ውቕሮ ወፂኡ ልዑል ተሳትፎ ኣርእዩ። እቲ ዕስለ ንኣንፈት ሓውዜን ስለዘምረሐ ህዝቢን ኣመራርሓን ዞባ ምብራቕ ኣብ ልዑል ክትትልን ምርብራብን ይርከቡ። ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እውን ኣብ ወረዳ ክልተኣውላዕሎ ጣብያ ኣይናለም ምስ ህዝቢ ኮይኖም ኣብ ምክልኻል ኣንበጣ ኣርፊዶም። መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ንዓፂድ ዝበፅሐ እኽሊ ብእዋኑ ክዕጸድ፣ ዝተዓፀደ ድማ ዓውዲ ክኣትው ዝመዓደ ክኸውን ከሎ፤ \"እኽሊ ሓረስታይና ናብ ቆፎ ክሳብ ዝኣቱ\" ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ንሓረስታይ ኣብ ምሕጋዝ ክወፍር ጸዊዑ። ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ፖለቲካዊ ውድባት ዓረና ትግራይ፣ ሳልሳይ ወያነን ባይቶና ዓባይ ትግራይን ኣባላቶም ናብ ወረዳታት ራያ ዓዘቦ፣ ሕንጣሎ ወጀራት፣ እንደርታን ክልተኣውላዕሎ ኣውፊሮም: ኣብ ምምካት ዕስለ ኣንበጣ ግደኦም የበርክቱ ኣለዉ። ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብወገኖም ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝኸፈትዎ ውልቀ 'ፔጅ' ትማሊ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ: ንቶም ናብ ራያን እንደርታን ዝወፈሩ መናእሰይ ዘልዎም ልዑል ክብርን ናእዳን ምግላፆም ይዝከር። ካብ ከተማታት ዓድዋን ኣኽሱምን ብኣውቶቡስ ተሳፊሮም ዝተበገሱ መናእሰይ: ኣብ ራያ ዓዘቦን ኣለማጣን ንዝዓሰለ ኣንበጣ ብምምካት እጃሞም ከወፍዩ ኣብዚ ሕዚ እዋን ተንቤን ዓብዪ ዓዲ ከምዝበፅሑ ሓደ ካብቶም መናእሰይ ተኣምራት ጥበቡ ንቢቢሲ ተዛሪቡ'ሎ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50206067"} {"headline":"ስለምንታይ ዝኣክል በሊዕና እንከለና ጥምየት ዝስምዓና?","content":"ኣመጋግባና፡ ስርዓት ዝሓለወ፣ ዝተመጣጠነ ዓይነት ዝሓዘ፣ ቀልጢፍካ ምብላዕ ደው ምባል፡ ነቲ በሊዕና ከለና ዝስምዓና ናይ ጥምየት ስምዒታት ደው ከብልዎ ይኽእሉ።ኣብ ብዓላት ኣጽዒቕና ድሕሪ ምብላዕና ንታኸሰን ላህዘዝ ንብልን። ንጽባሒቱ ኣብ እዋን ምሳሕ ግና፡ ንጥብሲ ዝኸውን ቦታ ከምንረክብ ርግጸኛታት ኢና። እቲ ዘገርም ግና ኣጽዒቕና ድሕሪ ምብላዕና፡ ንጽባሒቱ ድማ ማዕረ ዓቐን ዘለዎ መግቢ ክንበልዕ ምኽኣልና ኢዩ። ስለምንታይ ኢና ግና ኣብ ብዓላት ኣጽዒቕና በሊዕና ከለና ጥምየት ዝስምዓና? ኣጽዒቕካ ምብላዕ ከብድኻ ይግትሮ ዲዩ? ስለ ዝግትሮ ዲዩ ንጽባሒቱ ማዕረ ዓቐን ዘለዎ መግቢ ኽትበልዕ እትኽእል? ስለምንታይ ኢና ብዛዕባ ምብላዕ ክሓስብ ከለና ጥምየት ዝስምዓና። ናይ ጥምየት ስምዒታት ከመይ ኢዩ? ኣብ ውሽጢ ኣካላትካ ዝፍጠር ፊዝዮሎጂካል ምቅይያር ኢዩ ምስ ጠመኻ ንኽትበልዕ ዘገድደካ።ዓቐን ናይ ከስዐኻ [ስቶማክ] ምስ ጸገብካን ወይ ድማ ምስ ጠመኻን ይቀያየር ኢዩ። ከስዕኻ ነቲ ዝበላዕካዮ መግቢ ኣሕቂቑ ናብ መዓናጡኻ ኣብ ዘመሓላልፈሉ እዋን ይጭበጥ ኢዩ። እቲ ዝበላዕካዮ መግቢ ምስ ኣየር ተሓዋዊሱ ናብ መዓናጡኻ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ከስዕኻ ናይ ምጉሩምራም ድምጺ የስምዕ። መብዛሕትኡ ግዜ ክስዕኻ ናይ ምጉሩምራም ድምጺ ምስ ዘስምዕ ዝጠመኻ ኮይኑ ይስምዓካ። ድሕሪ ምጉሩምራም፡ ክስዕኻ ስለዝገፍሕ ንኽትበልዕ ትዳሎ። እዚ መስርሕ'ዚ በቶም ዋህዮታት [ሴልስ] ዝፈጥርዎ ኬሚካል [ሆርሞን] ኢዩ ዝብገስ። ውሑድ ሓይሊ [ካሎሪ] ዝህቡ ዓይነት መግብታት ምስ እንምገብ ኣካላትና ነቲ ብግርሊን ዝፍለጥ ሆርሞን (ghrelin) ይፈጥሩ'ሞ፡ ዋላ ዝኣክል በሊዕና ከለና ጥምየት ከም ዝስምዓና ይገብሩ። እቲ ምብላዕ ከስዕኻ የግፍሖ'ዩ ዝብል ብሂል ሓቂ ኣይኮነን። ክስዕና ተመጣጣይ ስለ ዝኾነ፡ ድሕሪ ኣጽዒቕና ምብላዕና ናብቲ ናይ ንቡር ዓቐኑ ይምለስ። እቲ ዘገርም፡ ናይ ብዙሓት ሰባት ዓቐን ከስዓዖም ዋላ ብዙሕ ይብልዑ ኣይብልዑ ኣይቅየርን ኢዩ። ጥምየት ምስ ዝስምዓና፡ ከስዕና ግርሊን ዝብሃል ሆርሞን ነቶም ኣብ ሓንጎልና ዝርከቡ ኤንፒዋይን ኣግረፕን ዝብሃሉ ሆርሞናት የበራብሮም። እዞም ክልተ ሆርሞናት ኢዮም ድማ ጥምየት ወይ ድማ ጽጋብ ክስምዓና ዝገብሩ። ኣብቶም ዕባራታት እቲ ዓቐን ናይ ግርሊን ሆርሞናት ልዑል ክኸውን ከሎ ኣብቶም ከሳዓት ድማ ትሑት ይኸውን። ብዙሓት፡ እቶም ጥምየት ዘበራብሩ ሆርሞናት ኣብቶም ብዙሕ ዝበልዑ ዝያዳ ይኾኑ ይብሉ። እንተኾነ፡ ተፈጥሮ ኣካልትና ስጋብ ክንደይ ዝተሓላለኸ ከም ዝኾነ የርኢ። ''ድሕሪ ድራር፡ ኣብ ሶፋ ኮፍ ኢልካ ቴሌቪዥን እናራእኻ ኣብ ትዘናግዓሉ እዋናት፡ ገለ ጥዑም ነገራት ቆርጠምጠም ምባል ንኸስዕኻ ምስ ተላመዶ፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ኣብ ሶፋ ኮፍ ኣብ ትብለሉ ናይ ምብላዕ ሸውሃትካ ይበራበር። ዋላ ጸጊብካን ሓይልኻ ምሉእ እንከሎን ክትበልዕ ትደሊ'' ትብል ተማራማሪት ዩኒቨርስቲ ሴተርዳታ ካሮላይን ቫን ዴን ኣከር። ዝያዳ ምብላዕ ሕማቕ ኣይኮነን ትብል ካሮላይን። እንተኾነ ሰባት ከም ሕማቕ ልምዲ ስለ ዝወስድዎ ነቲ ልምዲ ደው ከብልዎ ይደልዩ። እንተኾነ እቲ ናይ ምብላዕ ሸውሃት ነቲ ድልየት ንምትግባሩ ኣሸጋሪ ይገብሮ። ብፍላይ ምቁር መግብታት ኣብ ትርእየሉን ተሽትተሉን ናይ ምብላዕ ሸውሃትካ ይኽፈትን ክትበልዕ ድማ ትሓስብ። ሓደ ኣብ ኣኽላባት ዝተገብረ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ እቶም እኽላባት ኣብ ናይ ዝምገብሉ ስዓት ደወል ስለ ዝድውልሎም ምብላዕ ምስ ደወል የተሓሕዝዎ። ደወል ክድወል ከሎ ድማ ክልዝዩ ይጅመሩ። ደቂ ሰባት ካብ ኣኽላባት ብዙሕ ኣይፍለዩን ኢዮም። ሓደ መጽናዕቲ፡ ዝተፈላለየ ቅርጽታት ነቶም ሰባት የርእይዎም፡ ትርብዒታዊ ቅርጺ ክርእዩ ከለው ቾኮሌት ስለ ዝውሃቦም ዝነበረ ድማ ኣብ ዝኾነ እዋን ትርብዒታዊ ቅርጺ ከርእይዎም ከለው ቾኮሌት ንኽበልዑ ይጉምጅው። እንተድኣ ቀልጢፍና ናይ ምብላዕ ልምዲ ኣሎና ኮይኑ፡ ቅልጢፍና ዝጸገብና ኮይኑ ይስምዓና እሞ ድሕሪ ገለ ደቓይቕ ዋላ ብዙሕ በሊዕና ከለና ጥምየት ይስምዓና። ስለዚ፡ ነዚ ባህርያት'ዚ ንምቕያር፡ ኣብ እንምገበሉ እዋን ምስቶም ኣብቲ መእዲ ምሳና ዝምገቡ ዕላል ምጅማር፡ ኣብ መንጎ ድማ ቅሩብ ማይ ምስታይ ነቲ ቀልጢፍካ ናይ ምብላዕ ባህርያት ደው ንምባሉ ይሕግዙና። እቶም እንምግቦም ዓይነት ምግብታት'ውን ወሳንነት ኣለዎም። ዝያዳ ኣሕምልቲ፣ ዕፉን፣ ብሮኮሊ፣ ካብ ጥረምረ ድማ ዓይኒ ዓተር፣ ባልዶንጓ፣ ካዕካዕ፣ ፍሩታን ድንች ምስ ቆርበቱን ምብላዕ'ውን ጥምየት ቀልጢፉ ከይስምዓና ይሕግዙ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50697469"} {"headline":"ጀርመን፡ ዘደንቕ ታሪኽ ጠዓምቲ ጸብሒ ኣዶልፍ ሂትለር","content":"ነፍሲ ወከፍ መኣዲ፡ ብህይወት ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ዕጫ ዝውስን እንተዝኸውን እንታይ ምገበርኩም? ዝቐርበልኩም ቁርሲ፣ ምሳሕ ወይ ድራር፡ ዕጫ ሞትኩም ዝመዘዘሉ ዕድል ዝፈጥር ግን ድማ ሓደ ሰብ 'ኣይፋል' ክብል ኣብ ዘይኽእለሉ ኩነታት ከም ዘሎ ጌርኩም ሕሰቡዎ። እዚ፡ መዓልታዊ ሓቃዊ ዛንታ ጠዓምቲ ጸብሒ ሂትለር እምበር ልበ ወለድ ኣይኮነን። ካልኣይ ኲናት ዓለም ቅድሚ ምውድኡ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ሂትለር ዝምገባ ነብሰ ወከፍ መግቢ ብኻልእ ሰብ ትጥዓም ነይራ። ጸላእቲ ጀርመን ወይ ንዕኡ ዘይፈትውዎ ሰባት ብመግቢ በኪሎም ከይቐትሉዎ ዝሰግአ ሂትለር፡ ጎራዙ ጀርመን ሓርዩ፡ 'ጠዓምቲ ጸብሒ' ገይሩወን። እቲ ዘገርም ታሪኽ እዘን ደቂ ኣንስትዮ ናብ እዝኒ ሰባት ዝበጽሐ ቅድሚ 60 ዓመት'ዩ። እዚ ታሪክ ሰብ ክሰምዖ ዝገበረት ድማ ጠዓሚት ጸብሒ ዝነበረት፡ ጓል 59 ዓመት ማርጎ ዎክ እያ። ታሪክ ማርጎ ዎክ፡ 'ጠዓምቲ ጸብሒ ሂትለር' ብዝብል ርእሲ ተሰሪሑ ድማ ብትያትር ቐሪቡ። ታሪኽ እዚ ቲያትር ኣብ ዙርያ ኣርባዕተ ጠዓምቲ ጸብሒ ሂትለር ዝነበራ ዘተኮረ ኮይኑ፡ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ተዋሳእቲ ነይረን። ማርጎ፡ ዛንትኣ ሚሼል ብሩክስ ንዝተብሃለት ጋዜጠኛ እያ ኣዕሊላታ። እዛ ጋዜጠኛ፡ \"እዚ ታሪኽ ክትጽሕፍዮ ዲኺ? ኢላ ብምሕታት \"ኣነ ኣይጽሕፎን እንተይልኪ ኣነ ክጽሕፎ እየ\" ኢላታ። ብሩክስ፡ ታሪኽ እዘን ደቂ ኣንስትዮ ዘሕዝንን ጽልምት ዝበለን ምኻኑ እንተፈለጠት'ውን፡ 'ትራጃይ ኮሜዲ' ገይራ ክትሰርሖ ወሲና። እዘን ሰብ ታሪክ፡ ኣብቲ ጸልማት ግዘ ከመይ ብሉጻት መሓዙት ኮይነን ዝብል ዛንታ ዝነግር ገይራ ድማ ጽሒፋቶ። ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ጀርመናውያን ኣብ ከቢድ ጸገም ተጸሚዶም ብዙሓት ብሓለንጊ ጥምየት ዝተጨፍጨፍሉ ዘመን'ዩ ነይሩ። እዘን ደቂ ኣንስትዮ ግን፡ ንሂትለር ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዘ፡ ኣዝዩ ብቅመማ ቅመም ዝበልጸገ መግቢ የቕርባ ነይረን። እዚ እዋን ዘይትርስዖ ማርጎ፡ ሂትለር ስጋ ብዙሕ ከም ዘይፈቱ ትዛረብ። ኣትኽልቲ፣ ሩዝ፣ ፓስታን ፍራምረን ንሱ ዝመርጾም መግቢታት'ዮም። ኣብቲ ግዘ ግን፡ ኣይኮነን'ዶ እዚኦም ክትረክብ ነዚኦም ክትሓስብ ሓይሊ ዝህብ መግቢ ምርካብ'ውን ዝከበደሉ'ዩ ነይሩ። \"ዋላ'ኳ እቶም ዝቐርቡ ዓይነታት መግቢ ብዓይንኻ ዝብልዑ እንተኾኑ፡ ንሕና ግን ተሰቂቕና ኢና ንምገቦም ነይርና\"። \"ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ እንትበልዓ ይበኽያ ነይረን። ብጣዕሚ ይፈርሓ፤ ግን ዝቐረበልና ሓጢጥና ክንበልዕ ኣለና። ድሕሪኡ እንተውሓደ ንሓደ ሰዓት ክንጽበ ንግደድ። መብዛሕትና፡ ሐዚ ሓመምና እናበልና ነንብዕ ምንባርና ይዝክር\" ትብል። ኣብ እንዳ ክሽነ ሂትለር ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ፡ ምስ ተመገባ ድሕሪ ሓደ ሰዓት በብዓይነት ነተን ዘቕርባ የዳልዋ ነይረን። ኣብ ሞንጎ እተን ጠዓምቲ ጸብሕን ሂትለር ዝምገበሉ ሰዓትን ዘለዋ 60 ደቓይቕ፡ ንመብዛሕትአን ናይ ጭንቂ ደቓይቕ እየን። ዳርጋ ኮፍ ኢልካ ሞትካ ምጽባይ። ካብ ሞንጎ እዘን ጠዓምቲ ጸብሒ ተበኪላ ዝሞተት ኣላ'ዶ የላን ዝብል ብወግዒ ዝፍለጥ ነገር የለን። ማርጎ ዎክ \"ኣነ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ዋላ ሓደ ተበኪሉ ዝሞተ የለን\" ትብል። ወተሃደራት ሩሲያ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣዶልፍ ሂትለር ክቐርቡ ምስ ጀመሩ፡ ሓደ በዓል መዓርግ ወተሃደር ማርጎ ሓቢኡ የውጽኣሞ ናብ በርሊን ናብ ዝጉዓዝ ባቡር ኣሳፊሩዋ። ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ግን ኣበይ ከም ዝኣተዋ ዝፍለጥ ነገር የለን። ሰብ ንኽነብር መግቢ ይበልዕ። ማርጎን ካልኦት ጠዓምቲ ጸብሕን ግን፡ ንሂትለር ቀዲመን ንኽሞታ እየን ዝምገባ ነይረን።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49366969"} {"headline":"ጎረባብታ ስጋ ከይጠብሱ ብሕጊ ደው ከተብል ዝፈተነት ኣውስትራልያዊት","content":"ሓንቲ ኣውስትራልያዊት ንጎረቤታ ናብ ሕጊ ብምቕራብ ካብ ምጥቃም ሱላ [ባርቢኪው] ከተእግድ ከም ዝፈተነት ተገሊጹ። እታ ሲላ ካርደን ዝተብሃለት ተቐማጢት ፐርዝ፡ ጎረባብታ ብትክን ብድምጽን ንሕጊ መንበሪ ኣባይቲ ከም ዝጠሓሱ ብምኽሳስ፡ ብሕጋዊ መንገዲ መዕለቢ ንምግባር ፈቲና። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እቲ ዞባ ግና እቲ ጥርዓን ዘይምኽኑይን መርትዖ ዘይብሉን ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነጺግዎ። ካርደን፡ ንካልእ ጎረቤታ'ውን ድምቀት ናይ ኣፍደገ መብራህቱ ከጉድልን ንእንስሳታቱ ስቕ ከብልን ዝብል ጥርዓን ኣቕሪባ ነይራ። ንሳ፡ ሃንገፍ ብዝብል ጨና ሽጋራን ዝጥበስ ስጋን ከም ዝተበሳጨወት ትገልጽ። ስጋ ከም ዘይትበልዕ እትገልጽ ካርደን፡ ነቲ ናይ ስጋ መጥበሲ [ባርቢኪው] \"ኮነ ኢሎም ዓሳ ከጭንውኒ'ዮም ኣብኡ ኣቐሚጠምዎ\" ክትብል 'ናይን ኒውስ' ንዝተባህለ መደበር ቴለቪዥን ተዛሪባ። መጋባእያ ምዕራባዊ ኣውስትራልያ፡ ነቲ ብለካቲት ዝቐረበሉ ጠለብ ነጺግዎ ኣሎ። ካርደን ግና ካልእ ሕጋዊ ስጉምቲ ከም እትወስድ ንመራኸቢ ብዙሓን ኣውስትራልያ ተዛሪባ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49561174"} {"headline":"መግቢ፡ ኣትክልቲ ምምጋብ ንቓልሲ ኣንጻር ለውጢ ክሊማ ሓጋዚ`ዩ","content":"ስጋን ውጽኢት ስጋን ገዲፍካ ኣትክልቲ ብምምጋብ ንለውጢ ክሊማ ክትቃለሶ ከምእትኽእል ፈላጣት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጦም። ልዑል ምምጋብ ስጋ፣ ጸባን ውጽኢት ጸባን ናይ ምዕራባውያን ሃገራት ንዓለማዊ ዋዒ የነሃህሮ ኣሎ ኢሉ ሓደ ሰፊሕ ጸብጻብ ናይ መሬትን ለውጢ ክሊማን። ስነ-ፍልጠታውያንን ሰበ-ስልጣንን ግን ኩሉ ሰብ ተመጋባይ ኣሕምልቲ ጥራይ ክኸውን ካብ ምምሕጻን ተቖጢቦም ኣለዉ። ሰባት ምምጋብ ስጋ እንተነኪዮም ንእሽቶ ናይ ሕርሻ መሬት ተጠቒምካ ብዙሓት ሰባት ክትምግብ ትኽእል ኢኻ ኢሎም ንሳቶም። መሬት ብግቡእን ብኣድማዕነትን እንተተጠቒምካሉ፡ ነቲ ብደቂ ሰባት ዝልቀቕ ካርቦን ክኽዝኖ ከምዝኻል እቲ በቶም 107 ኣባላት በይነ-መንግስታዊ ጉጅለ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ክሊማ ዝኾኑ ስነ-ፍልጠተኛታት ዝቐረበ ጸብጻብ ኣሚቱ። እቲ ጸብጻብ ድሕሪ`ቲ ኣብ ከተማ ጀኔቫ ናይ ስዊዘርላንድ ዝተኻየደ ምይይጥ`ዩ ተዳልዩ። \"ሰባት ስጋ ምብላዕ ደው ከብሉ ኣይኮናን ንነግሮም ዘለና። ኣብ ገለ ቦታታት ሰባት ዝምገብዎ ኣማራጺ የብሎምን። ኣብ`ዚ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ግን ኣዝዩ ልዑል መጠን ስጋ፣ ጸባን ውጽኢት ጸባን ንምገብ ከምዘለና ፍሉጥ`ዩ\" ኢሉ ስነ-ፍልጠተኛ ከባቢ ዝኾነ ፕሮፌሰር ፒተ ስሚዝ ናይ ኣበርዲን ዩኒቨርሲቲ ብሪጣኒያ። ብዙሕ መግቢ`ውን ነባኽን ኣለና። ብሰንኪ ካብ ግራውቲ ክሳብ ክሽነ ዘሎ ብኽነት መግቢ ልቀት ጋዝ ሓምላይ ገዛ ካብ ሸሞንተ ክሳብ ዓሰርተ ሚእታዊት ይበጽሕ ኢሎም`ቶም ስነ-ፍልጠተኛታት። ኣብ ልዕሊ ሓመድ ንዝወርድ ሃስያን ብድምነትን ደው ንምባል ሓያል ጻዕሪ የድሊ ኢሉ`ቲ ጸብጻብ፡ ምኽንያቱ ክልቲኦም ኣብ ለውጢ ክሊማ ተራ ስለ ዘለዎም። እቲ ኣግራብ ተኺልካ ዳሕራይ ቆሪጽካ ንመመንጨዊ ጸዓት ንምትቃምብገለ መንግስታት ወጺኡ ዘሎ ውጥን`ውን ብትሑትን ጥንቁቕን መንገዲ እንተዘይተኻይዱ ምስ ምምንጫው መግቢ ክቃጸጽ ይኽእል`ዩ ክብል እቲ ጸብጻብ ኣጠንቂቑ። ጽፍሒ መሬት ዓለምናን ኣገባብ ኣጠቓቕማናን መሰረት ደቂ ሰባትን ዓለማዊ ቁጠባን`ዮም። እንተኾነ ግን ድራማቲካዊ ብዝኾነ መንገዲ ቅርጹ ንቕይሮ ኣለና። ሓደ ካብ`ኡ ድማ ልቀት ጋዛት ሓምላይ ገዛ`ዩ። መልሰ-ግብሪ ናይ`ዛ መሬት ነቲ ወዲ ሰብ ዘበገሶ ለውጢ ክሊማ ንመጻኢ ኣገዳሲ ሻቕሎት ይፈጥር። ለውጢ ክሊማ ኣብ ልዕሊ ውሕስነት መግብና ሓደጋ የስዕብ`ዩ። እናለዓለ ዝኸይድ መጠን ዋዒ፣ ብዙሕ ዝናብን ሕሉፍ ኩነታት ኣየርን ኣብ ምህርቲን እንስሳታትን ሳዕቤን ኣለዎም። እንተኾነ ግን፡ ምምራት መግቢ`ውን ኣብ ዓለማዊ ዋዒ ተራ ኣለዎ። ሕርሻን ምግራብን`ውን ኣብ ርብዒ ልቀት ጋዝ ሓምላይ ገዛ ኣስተዋጽኦ ኣለዎም። ምርባሕ ከብቲ`ውን ብመንገዲ`ቲ እተን እንስሳታት ዝለቅኦ ሜተይን ጋዝ ኣቢሉ ኣብ ዓለንማዊ ዋዒ ኣስተዋጽኦ ኣለዎ። ከምኡ`ውን ብመንገዲ ምስፋሕ መጋሃጫ ዕንወት ጫካታት ይስዕብ። ኣብ እዋን ምፍራይ ስጋ ኣብ ልዕሊ ከባቢ ዝወርድ ሳዕቤን ንብዙሓት ተመገብቲ ኣሕምልቲ ዝኾኑ ሰባት የገድሶም`ዩ። ኣብ ብሪጣኒያ ዝመደበሩ #ኖ ቢፍ ዝተሰምየ ጉጅለ ኣቕረብቲ መግቢ ንተማሃሮ ስጋ ከብቲ ይኹን ዕየት ከየቕርቡ ይጉስጉስ። ኣብ ኣሜሪካ ንኣሽቱ ቶርታታትን ሳምቡሳታት ንስጋ ብዝተክኡ ኣሕምልትን`ዮም ዝስርሑ ዘለዉ፡ ጣዕሚ ናይ ስጋ ንኽህልዎም ተባሂሉ ድማ ሄም ዝተባህለ ብትሕዝቶ ሓጺን [ኣይረን] ዝሃብተመ ውሁድ ነገር ይሕወሶ። \"ሸቶ ቃልሲ ኣንጻር ለውጢ ክሊማ ክንወቅዕ እንተኾይንና፡ ምንካይ ኣንምገቦ መጠን ስጋ ኣገዳሲ`ዩ\" ኢሉ ፒተር ስቲቨንሰን ናይ`ቲ ኮምፓሽን ኢን ዎርልድ ፋርሚን ዝተባህለ ትካል። ኣብ ከም ቻይና ዝኣመሰሉ ከባቢታት ዓለምና ግን መጠን ሃልኪ ስጋ ይውስኽ`ዩ ዘሎ። እዚ ድማ ማእከላይ መንግስቲ ቻይና ቻይናውያን ባህላዊ መግብታት ከዘውትሩ ኣብ ዘዋዓውዓሉ ዘሎ እዋን`ዩ ዘጋጥም ዘሎ። እቶም ኣዳለውቲ ናይ`ቲ ጸብጻብ፡ ብኽነት መግቢ ደው ንምባል ስጉምቲ ክውሰድ የተባብዑ። እዚ ድማ እቲ መግቢ ቅድሚ ምሻጡ ይኹን ድሕሪ ምሻጡ ክኸውን ይኽእል። ዝባኸነ መግቢ ቀለብ እንስሳታት ክኸውን ይኽእል`ዩ። እንተጥዒሙ`ውን ብመንገዲ ለገስቲ ትካላት ንድኻታት ክወሃብ ይከኣል። ሓደ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ፓርቴጅ ዝተባህለ ትካል ምሻጥ ኣብዩ ብድኳናት ዝተጓሕፈ መግቢ ኣኪቡ ንዘድልዮም ኣብ`ታ ከተማ ንዝርከቡ ስድራቤታት ይዕድሎ። ዝነቐጸ ባኒ ኣኪቡ`ውን ናብ ብሽኮቲ፣ ንቑጽ ፍሩታ ይሰርሖ፡ ኣሕምልቲ ድማ ኣብ ታኒካታት ይዕሽግ። እዚ ኩሉ ድማ ኣብ ምንካይ`ቲ መግቢ ንምድላው ዝልቀቕ መጠን ካርቦንዳይኦክሳይ ይሕግዝ። እቲ ደቂ ሰባት ዝልቅዎ ተወሳኺ ተወሳኺ ካርቦን ንዕቤት ጫካታት ይዕንግሎ`ሎ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ ኽቢ [ኖርዘርን ሄሚስፌር]። እዚ ንለውጢ ክሊማ ከቃልል ይኽእል`ዩ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ሚዛን ረቛሒታት`ዩ ዝምርኮስ። ኣዛ መሬት ኣዝያ እንተደኣ ውዕያ፡ እዚ ኣብ ጫካታት ዘሎ ጽልዋ ብኣሉታ ክጽሎ`ዩ ይብሉ ክኢላታት። ብሓቂ ድማ፡ ኣብ ከባቢ ኢኰይተር ዘለዉ ከባቢታት ድሮ ብሰንኪ ዋዒ፡ ዝነበረኦም ሸፈነ ኣትክልትን ዕጸዋትን ስኢኖም ኣለዉ። ኣብ ገለ ከባቢታት ዋሕዲ`ቲ ኣብ ዕቤት ኣትክልቲ ወሳኒ ዝኾነ ባእታ፡ ፎስፈረስ፡ ንዕቤት ኣትክልተ ክዕንቅፍ`ዩ ኢላ ተጠንቅቕ ዶ\/ር ካትሪን ፍለቸር ናይ ሙኒክ ቴክኒካል ዩኒቨርሲቲ። \"እዚ ማለት፡ እቲ ጽዑቕ ጫካ ዘለዎ ቦታታ`ውን ድሮ ኣብ ውስንነቱ በጺሑ ስለዘሎ ካርቦንዳይኦክሳይድ ናይ ምምጣጥ ክእለቱ ክስእን`ዩ። እዚ ምስ ዝኸውን ድማ፡ እዛ መሬት ኣዝያ ቀልጢፋ ክትውዒ`ያ\" ኢብል ንሳ። ሓደ ሓደ እዋን ሓመድ ኣካል መስርሕ ክሊማ ምዃኑ ተረሲዑ ዕሽሽ ይበሃል`ዩ። እንተኾነ ግን ሓመድ ካብ ውቅያኖሳት ቀጺሉ እብ ካልኣይ ዝስራዕ መኽዘን ካርቦን`ዩ። ኣግራብ ካብ ከባቢ ኣየር ካርቦንዳይኦክሳይድ ስሒቦም ኣብ ሓመድ ይደብይዎ። ብድመትን ሕማቕ ኣገባብ ማሕረስን ግን እዚ ናይ ምግባር ዓቕሞም ከስእኖም ይኽእል። ዓቕሚ ሓመድ እንተተባሕጒጉ ድማ ካርቦን ተመሊሱ ናብ ከባቢ ኣየር ይልቀቕ`ሞ ዕቤት ኣግራብ ድማ ኣጠራጣሪ ይኸውን። ለውጢ ክሊማ ነዚ መስርሕ`ዚ ከቀላጥፎ`ዩ። ልዑል መጠን ዋዒ ኣብ ውሽጢ ሓመድ ንዘሎ ህይወታዊ ግዛዕ ሰይሩ ልቀት ጋዝ ሓምላይ ገዛ ከዛይድ`ዩ። ኣብ ሓመድ ዝወርድ ሃስያ ምናካይን ነቲ ዝተሃስየ ድማ ናብ ዝነበሮ ምምላስ ንሕብረተሰብ ቅልጡፍ ዝኾነ ጥቕሚ የምጽእ። ዝሓሸ ምሕደራ መሬትን ቁጽጽር ዘለዎ ኣካይዳ መጋሃጫን ምግራብን ፍርያምነት መሬት ከደንፍዕ ይኽእል፡ በዚ ድማ ድኽነት ይንክይ ውሕስነት መግቢ ድማ ይረጋገጽ። \"ብሓቂ ንጹር`ዩ፡ ብሰንኪ መጠኑ ዝሓለፈ ምጥቃም፡ እቲ መሬት ይምሕጎግ ኣሎ፡ እዚ ድማ ንለውጢ ክሊማ ተጋድዶ`ሎ\" ይብል ፕሮፌሰር ስሚዝ። \"መሬት ኣካል ናይ`ቲ ጸገም`ዩ፡ እንተለቢምናን ብውሕሉል ኣገባብ እንተተጠቒምናሉ ግን ኣካል መፍትሒ ጸገም ለውጢ ክሊማ ክኸውን ይኽእል`ዩ\" ድማ ይብል። ኣጠቓቕማ መሬት ናይ ደቂ ሰባት ክትቅይር ፈታኒ ብድሆ`ዩ፡ ብፍላይ ከኣ ምቕያር ሜላ ማሕረስ ስለዝሓትት። እንተኾነ ግን፡ ሰባት ነዞም ዝስዕቡ ነገራት ክኽተሉ ይግበኦም ይብሉ ስነ-ፍልጠታውያን።  ናይ ተፈጥሮ ጫካታት ሓልዎም፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ትሮፒካዊ ዞባ ዘለዉ  ውሑድ ቀይሕ ስጋ፡ ብዙሕ ኣትክልቲ\/ኣሕምልቲ ተመገብ  ዓዘቅቲ ዘለዎም ቦታታት ሓልዎምን ናብ ንቡር ምለሶምን  ኣዝርእትን ኣግራብን ተሃዋዊሶም ዝነብርሉ ቦታ \"ኣግሮፎረስትሪ\" ክህሉ ኣተባብዕ  ዓይነት ዘራእቲ ኣመሓይሽ እቶም ስነ-ፍልጠታውያን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ንለውጢ ክሊማ ክፈትሕ ይኻል`ዩ ተባሂሉ ብዙሕ ዝተዘርበሉ ህይወታዊ ጸዓት [ባዮ ኤነርጂ] ግን ብዓይኒ ፍርሒ ርእየሞ ኣለዉ። ህይወታዊ ጸዓት ንጸዓት ነዳዲ ዝትክእ ምንዳድ ኣትክልትን ዕጸዋትን`ዩ። እቲ ካብኡ ዝወጽእ ካርቦንዳይኦክሳይድ ክተሓዝ ስለዝኽእል፡ ንገለ ሃገራት ሰሓቢ ኣማራጺ ይመስል። ኣብ ዝመጹ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ህይወታዊ ጸዓት ካብ ጸሓያዊ፣ ንፋሳዊን ማያዊን ጸዓታት ንላዕሊ ኣብ ጥቕሚ ከም ዝውዕል ዓለማዊ ትካል ጸዓት ይግምት። ንመሬት ናብ ህይወታዊ ጸዓት ግን ሃገራት ኣዝዮም ኣድለይቲ ዝኾኑ ዘራእቲ ናይ ምፍራይ ዓቅመን ከስእነን`ዩ ይብሉ`ቶም ኣዳለውቲ ጸብጻብ ናይ ወድብ ሕቡራት ሃገራት። ኣብ መጠን ኣብ ህይወታዊ ነዳዲ ዝውዕል መሬት ደረት ክህሉ ድማ ይምዕዱ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49319052"} {"headline":"መግቢ፡ ንጾታዊ ስምዒትኩም የመሓይሽ'ዶ?","content":"ፆታዊ ርክብን ምግብን እንታይ የራኽቦም? ትብሉ ትኾኑ። ተመራመርቲ ግና ኣመጋግባናን ጾታዊ ህይወትናን ቀጥታዊ ርክብ ከምዘለዎም እዮም ዝገልፁ። ሓጎስ ዝፈጥር ባእታ ዘለዎም ምግብታት፡ ጥዕና ዝተመልኦ ናይ ወሲብ ህይወት ንክህልወኩም ይገብሩ። ካብ መንጎ እዞም መግብታት ንገሊኦም ክነላልየኩም። 1. ጉዕ በርበረ፣ ሚጥሚጣ. . . ካፕሳይሲን ዝበሃል ባእታ፡ ኣብ ከም ጉዕ በርበረን ሚጥጣን ዝኣመሰሉ ምግብታት እዩ ዝርከብ። ጉዕ በርበረን ሚጥሚጣን፡ ነቲ ሰባት ክሕጎሱ እንከለዉ ዝፍልፍል ኢንዶርፊን ዝበሃል ሆርሞን ክዘዋወር ሓገዝቲ እዮም። ዑደት ደም'ውን ንክቀላጠፍ ልዑል ግደ ኣለዎ። መጠን ዋዒ ሰብነትን ህርመት ልብን ንክውስኽ ይሕግዝ። እዞም ለውጥታት እዚኦም ድማ፡ ኣብ ግዘ ፆታዊ ርክብ ኣብ ሰብነትና ዝረኣዩ ለውጥታት እዮም። ቸኮሌት ፊኒሌትያላሚን ዝበሃል ባእታ ዝሓዘ እዩ። ብዙሓት ሰባት ቾኮሌት ምብላዕ ብፍቕሪ ምስ ምትሓዝ ዘተኣሳስርዎ እውን ብምኽንያት እዚ ባእታ እዩ። እዚ ባእታ፡ ኣብ ምጅማር ፍቕራዊ ርክብ ደስ ዝብል ስምዒት ንክፍጠር ይገብር። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ቾኮሌት፡ ትራይፕቶፋን ዝበሃል ኣሚኖ ኣሲድ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሰብነት ሓጎስ ዘመንጩ ሴሮቶይን ዝበሃል ባእታ ዑደት ንክገብር ዘኽእል እዩ። ትራይፕቶፋን ካብ እንቁላሊሕ፣ ኦቾሎኒን ፍርያት ሶያን ክርከብ ይኽእል። ኣብ ሞንጎ ቸኮሌትን ወሲባዊ ህይወትን ርክብ ከምዘሎ ክንገር ዝጀመረ፡ ካብ 16 ክፍለ ዘበን ጀሚሩ እዩ። 3. ኣልኮል ጾታዊ ርክብ የመሓይሽ ዶ? ዋላ'ኳ ኣልኮል ምልዕዓል ስምዒት ፆታዊ ርክብ ዝውስኽ እንተኾነ፡ ወሲብ ኣብ ዝፍፀመሉ እዋን ግና ኣሉታዊ ፅልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ካብ መጠን ንላዕሊ ኣልኮል ምስታይ፡ ጾታዊ ስምዒት ክንኪ ከምዝገብር ተመራመርቲ ይገልፁ። ጨና ኣልኮል ጽቡቕ ዘለዘይኮነ ድማኣብ ወሲባዊ ህይወትኩም ፅዕንቶ ክፈጥር ይኽእል። 4. ፍረታት'ከ? መትሎኦም ክለዓል ዘጸግመሎም ደቂተባዕትዮ፡ ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ፍላቮኖይድ ዝበሃል ኬሚካል ዝሓዙ መግብታት ክበልዑ ከምዘለዎም፡ መፅናዕትታት ይሕብሩ። ንኣብነት፡ ብሉቤሪ ዝበሃል ዓይነት ዝራእቲ ፍራውለ (ስትሮቤሪ)፣ ኣራንሺን ለሚንን ነዚ ፀገም ክፈትሑ ይኽእሉ እዮም። ዝተፈላለዩ ፍረታት ምምጋብ፤ ጸገም ምልዓል መትሎ ብ 14 ምኢታዊት ይንክይ። ካብ ኣትክልቲ፣ ፍረታት፣ ዘይቲ ኣውሊዕን ኦቾሎኒን ብተወሳኺ፡ ምግብታት ከባቢ ሜዴትራንያን፡ ከምዚ ዓይነት ፀገም ከምዝፈትሕ ተመራመርቲ ይሕብሩ። ቼሪ፣ ብላክቤሪ ዝበሃሉ ዓይነታት ፍራውለ፣ ፍረ ወይኒን ቀይሕ ካውሎን፡ ኣንቶካይኒ ዝሓዙ ምግብታት እዮም። ወግዕና እንትንዛዝም. . . ጾታዊ ህይወት ከምዘመሓይሹ ዝንገረሎም ኣፍሮዲያሲክ ዝብሃሉ ምግብታት፡ ኣብ ሰለስተ መቒልካ ምርኣይ ይከኣል። ቀዳማይ፤ ድሌት ፆታዊ ርክብ፣ ካልኣይ ጾታዊ ርክብ ናይ ምፍፃም ብቕዓት፣ ሳልሳይ ድማ ካብ ወሲብ ዝርከብ ዕግበት ዝህቡ እዮም። ተመራመርቲ፡ ናይዞም መግቢታት ውፅኢት ክልክዑ ኣይከኣሉን። ክሳብ ሕዚብርጉጽ ክዛረብዎ ዝኸኣሉ ነገር እንተሃለወ፡ ኣፍሮዲያሲክ፡ ናይ ዝፀንሑ ፍረታት ጨና እዩ። ተመራማሪ ስነ-ተዋልዶን ጥዕናን ዶክተር ክሪችማን፡ ነብሲወከፍ ሰብ 'ዝሓሸ ወሲባዊ ህይወት ንክህልወኒ ሓጊዙኒ እዩ' ንዝብሎ ምግቢ ኣዘወቲሩ ክመምገብ እዮም ዝምዕዱ። መብዛሕትኦም ኣፍሮዲሲያክ ዝበሃሉ ዓይነታት ምግቢ ንጥዕና ኣዝዮም ጠቐምቲ እዮም። ስምዒት ፆታዊ ርክብ የመሓይሹ እዮም ዝበሃሉ፡ ግነን ከኣ ንጥዕና ጠንቂ ዝኾኑ ምግብታት ምውሳድ ኣየድልን። ሓደሓደ ግዘ ድማ፡ ምንካይ ድልየት ጾታዊ ርክብ ምስ ፀገም ጥዕና ክዛመድ ስለዝኽእል፡ ንበዓል ሞያ ሕክምና ምምኻር የድሊ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49056753"} {"headline":"ከረን፡ \"ከም ለብዘበንሲ ንዓመታ ይግበረልና\"","content":"ከም ሓያሎ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ኤርትራ ኣብ እቶት ሕርሻ ካብ ዝምርኮሳ ሃገራት ሓንቲ ኢያ። ልዕሊ 80% ህዝባ ብሕርሻ ስለዝነብር፡ ሕርሻ ዓንዲ ሕቖ ህላዌኣ እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ'ዩ መንግስቲ ኤርትራ፡ ብኹሉ ዓቕሙ ጥብ ዝበለት ማይ ንከዋህልል ዲጋታትን ራህያታትን ኣብ ምህናጽ ዝነጥፍ ዘሎ። ክሳብ እቲ ተዋህሊሉ ዘሎ ሃብቲ ማይ ብዘበናዊ ኣገባብ ኣብ ሕርሻ ዝውዕል ካብ ዝናብ ክረምቲ ዝጽበዩ ሓረስቶት ኤርትራ \"ሰኣን ሓንቲ ማይን ብሰንኪ ሓንቲ ማይን\" እናበሉ ክነብሩ ግድን እዩ። ሓንቲ ዝናብ ምህርቲ ከሰስንን ከማስንን ልዑል ተኽእሎ ስለዘለዎ ከኣ እዮም መምስ ዘጋጠሞም ኩነታት ነታ ዘረባ ዝደጋግሙዋ። ሓረስቶት ኤርትራ ገና ክሳብ ሕጂ በብዑር ሓሪሶም ዝናበሩ እኳ እንተኾኑ፡ ለብዘበን ኣብ ዝሰፍሐ ክፋል ኤርትራ ምዕሩይ ዝናብን ህጡር ክራማትን ስለዝነበረ፡ ምስ ቢቢሲ ዝተዛረቡ ሓረስቶት ህጡር ቀውዒ ከምዘለዎም እዮም ዝነግሩ። ኣቶ ባህልቢ መድሃኔ ካብ ከባቢ ከረን፡ \"ክረምቲ ለብዘበን፡ ሰብን እዝግን ዘሐጉስ ብምንባሩ፡ ብዓቕሙ ዝሓንጠጠስ ቀለብ ዓመቱ ኣይስእንን እዩ። ድሮ እኳ ህጡር ቀውዒ ንርኢ ኣሎና\" ክብል፡ ክራማት ለብዘበን ነቲ ቐደም ኣቦታትና ዘዘንትውዎ ዝነበሩ ግዜ ከምዘዘኻኽሮም ገሊጾም። \"ከምዚ ሎሚ መሬት ግርምኡ ተቐንጢጡ ጥርሑ ከይተረፈ ሳዕርን ኣግራብን ኣብ ኣፍ ገዛና እዩ ነይሩ። ሩባታትና ዓመት ምሉእ ይውሕዝ፡ ጥሪትና ከኣ ምድሪ ይኸድና ነይረን\" ይብላ ብሕርሻ ዝነባበራ ወይዘሮ ጽገወይኒ፤ ክረምቲ ለብዘበን'ውን ምስጉን ከምዝነበረ ብምግላጽ። ለብዘበን ንሰብን ጥሪትን ዝኸውን እኹል ቀለብ ከምዘሎ ዝገልጽ ሓረስታይ ክፍልዝጊ ኣብዱጋይ \"ለብዘበን ብሰንኪ ጽጉብ ክራማት፡ ዲጋታት ዘሎ ራህያታት ብምልኡ ማይ መሊኡ'ዩ። ሩባ ዓንሰባ ክሳብ ሕጂ'ዩ ዝውሕዝ ዘሎ። ኣምላኽ ጥዕና ይሃበና እምበር ብምህርትን እቶትን ዕጉባት ኢና\" ብምባል ኩሉ ሰብ ምህርቱ ኣብ ምእካብ ተዋፊሩ ከምዘሎ ሓቢሩ። \"ሓረስታይ ምስ መሬቱን እዝግሄሩን እዩ ርክቡ። ሓሪሱ፡ ዘሪኡ፡ ጽህዩን ዓጺዱን ምህርቲ ንኽረክብ፡ ዓመት ምሉእ ግራቱ ይድኩዕ፡ ይሓርስን የለስልስን። ፈጣሪ ዝናብ ክህቦ ከኣ በብእምነቱ ጸሎቱ የዕርግ። ከምዚ ናይ ለብዘበን ህጡር ክረምቲ እናኽረክብ ከኣ ንእዝግሄሩ እናመስገነ ቀለብ ዓመቱ የእቱ\" ትብል ሰይቲ ሓረስታይ ወይዘሮ ጽርሃ ኣብርሃ። ከም ሓረስታይ ጻዕራምን ህርኩትን ዘየሎ ክነሱ ግን ሓረስታይ ከቢድ ናብራ እዩ ዘሕልፍ። ብሰንኪ ሕጽረት ዝናብን ዋሕዲ እቶትን እኹል ዓያይ ጉልበት ከኣ ሕርሻ ዳርጋ ብድኽነት ከምዝትርጎም ኪኢላ ሕርሻ ኣብርሃ ተኽለ ይዛረብ። ይኹን እምበር ሕርሻ ብዘበናዊ ጥበብን ፍልጠትን እንተተሰንዩ ጎቦን ኩርባን መሬት ክለምዕን ክጥጥዕን ከምዝኽእል ምሉእ ነብሰ ምትእምማን ከምዘለዎ ይገልጽ። ኣብ ምእካብ ምህርቱ ተዋፊሩ ዝርከብ ኣቶ ባህልቢ፡ ሓረስታይ ከባቢኡ ከከም ዓቕሙን ዕዮኡን፡ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ዘሰጋግር እኹል እቶት ከምዝረኸበ ይሕብር። \"መሬትና ጸቢብ ስለዝኾነ እምበር ካልእ እውን ምሓፈስና\" ብምባል ከኣ ክረምቲ ለብዘበን ዝምስገን ምንባሩ ይምስክር። እቲ ዝናብን ምህርትን ንሰብን እንስሳታትን እኹል ብምዃኑ ድሮ እውን ዋጋ እኽሊ'ውን ካብቲ ዝነበሮ ከምዝጎደለን፡ ንርብዒት 50-60 ናቕፋ በጺሑ ዝነበረ እኽሊ ሕጂ ናብ 30 ከምዝወረደን ብፍላይ ብባርካ ንርብዒት ክሳብ 25 ናቕፋ በጺሑ ምህላው እቶም ሓረስቶት ኣረዲኦም። ብተወሳኺ እቶም ካብ ዞባ ዓንሰባ ዘዛራረብናዮም ብህጥራን ክረምትን እቶትን ዝዓገቡ ሓረስቶት \"ከም ለብዘበንሲ ንዓመታ ይግበረልና\" ክብሉ ዕግበቶም ኣረጋጊጾም። ኣቶ ክፍልዝጊ፡ \"ቀደም ከምዚ እዋን፡ ኩሉ ሓረስታይ እኸሉ ኣኪቡ ይውድእ ነይሩ። ህጡር ክረምቲ ስለዘሕለፍና ግን ኩሉ ሓረስታይ ክሳብ ሕጂ እኽሉ ኣብ ምእካብ ኣብ ፈቐዶ ዓውድታት እዩ ተዋፊሩ ዘሎ\" ይብል። ኣቶ ባህልቢ እውን ንርእይቶ ክፍልዝጊ ብምድጋፍ \"አረ ገሊኦምስ ንኽልተ ዓመት ዝኸውን እቶት ዘእተው ኣለው። ካልኦት ከኣ ገና እውን ምህርቲ ምእካብ ዘይጀመሩ ኣለው\" ክብል ብእቶት ለብዘበን ሕጉስ ምዃኑ ይገልጽ። ኪኢላ ሕርሻ ኣብርሃ ተኽለ ግን፡ ሕርሻ ናብ ዘበናዊ ኣገባብ ከይማዕበለን ብሳይንስን ፍልጥትን ሞያውያን ከይተደገፈ ውሕስነት መግቢ ክረጋገጽ ኣሸጋሪ ምዃኑ ብምሕባር፡ መንግስትን ዝምልከቶም መሻርኽቱ ኣካላትን ናብቲ ዘይተርፍ መጻኢ ብልጽግና ሓቢሮም ክዋስኡ ጸዊዑ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50512874"} {"headline":"ጥዕና፡ ብሕማም ረስዕ ከጋጥም ዝኽእል መጠን ስቓይ ምቁጽጻር ይከኣል'ዶ ይኸውን?","content":"ኣብ ውሽጢ ሓደ ስድራቤት ግዳይ ሕማም ረሲዕ ዝኾነ ሰብ እንተሃልዩ፡ ጥዑይ መነባብሮ እንተድኣ ተኸቲሉ ዳርጋ ኩሉ ሰብ ከጋጥሞ ንዝኽእል ናይ'ቲ ሕማም ሓደጋ ከጉድል ከም ዝኽእል ውጽኢት ምርምር ኣመልኪቲ። ብመሰረት'ቲ ኣብ ኣስታት 200,000 ሰባት ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ እቲ ሓደጋ ብሓደ ሲሶ ነኪዩ። እቶም ውጺኢታት መጽናዕቲ ዘሕጉሱን ዘበራትዑን ከም ዝኾኑ ተገሊጹ'ሎ። \"ሰባት ድማ ኣብ ሕማም ረሲዕ ኣይክሽመሙን'ዮም\" ኢሉ እቲ ነቲ መጽናዕቲ ዘካየደ ጉጅለ ተመራመርቲ ኤክሰተር ዩኒቨርሲቲ። ውጽኢታት ናይ'ቲ መጽናዕቲ ኣብ ዓለማዊ ኣኼባ ማሕበር ኣልዛይመር'ዮም ተቓሊሖም። እቶም ተመራመርቲ ኣብ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ፣ ምምጋብ ፍሉይ መግቢ [ዳየት]፣ ኣልኮላዊ መስተን ምትካኽ ሽጋራን ተመርኲሶም ነቶም ምርምር ዝተገብረሎም ሰባት ነጥቢ ሂቦሞም። እዚ ዝስዕብ መግለጺ ናይ ሓደ ጽቡቕ ነጥቢ ዘመዝገበ ሰብ`ዩ ዘይጥዑይ መነባብሮ`ኸ? ንምትግባሩ ክሳብ ክንደይ ቀሊል`ዩ? ነባሪት ኤክተር ዝኾነት ጓል 62 ዓመት ሱ ተይለር ኣብ ቤተሰባ ንዝወርድ ሳዕቤን ሕማም ረሲዕ ርእያ`ያ። ኣዴኣን ዓባያን በቲ ሕማም ይሳቐያ ነይረን። ንሳ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ጊዜ ኣብ መናፈሲ ቦታ [ፓርክ] ምንቅስቓስ ትገብር። ዋላ ኣብ`ቲ ዝሑል ናይ ክረምቲ ወቕቲ እንተኾነ`ውን ኣይተቋርጾን። ስራሕ ቅድሚ ምእታዋ ድማ ን45 ደቓይቕ ብእግራ ትጓዓዝ። \"ብዙሕ ጻዕሪ`ዩ ዝሓትት። ክትሓስበሉ`ለካ ኣብ ሂወትካ ከምዝወሃሃድ ድማ ክትገብሮ`ለካ\" ትብል ንሳ። እንተኾነ ግን ናይ ግድን ክግበር ዘለዎ`ዩ፡ ብፍላይ ድማ ንጥቕሚ ደቂ ደቃ። \"ብዝተኻእለ መጠን ሓንጎለይ ንዝነውሐ እዋን በሊሕ ኮይኑ ክቕጽል ክገብሮ ኣለኒ። ደቂ ደቀይ ብኣካል ይኹን ብኣእምሮ ኣቦሓጎኦምን ዓባዮን ክስእኑ ኣይደልዮምን`የ\" ድማ ትብል። እሞ ኩነተ-መነባብሮ ክሳብ ክንደይ ለውጢ የምጽእ? እቲ መጽናዕቲ ንልዕሊ 64 ዓመት ዝዕድሚኦም 196,383 ሰባት ንሸሞንተ ዓመታት ተኸታቲልዎም። ንዲ ኤን ኤ ናይ`ቶም ሰባት ብምትንታን ድማ በቲ ሕማም ናይ ምትሓዞ ተኽእሎ መፈጠራዊ ሓደጋ [ጀነቲክ ሪስክ] እንተሃልይዎም መርሚሩ። ብመሰረት`ቲ መጽናዕቲ፡ 18 ካብ ሓደ ሽሕ ሰባት ልዑል ናይ 'ጀነቲክ ሪስክ' እንተዝነብሮም`ሞ ዘይጥዑይ ኩነተ-መነባብሮ ዝመርሑ እንተዝነብሩ ብሕማም ረሲዕ ምተጠቕዑ ነይሮም። እቶም ሰባት ጥዑይ መነባብሮ ዝመርሑ ነይሮም ኣንተዝኾኑ ግን 11 ሰባት ጥራይ በቲ ሕማም ምተጠቕዑ ነይሮም ኢሉ`ቲ መጽናዕቲ። ዓቢ ፍልልይ'ዶ ኣይመስልን? እቲ ኣሃዝ ውሑድ ክመስል ይኽእል`ዩ፡ ኣብ ጉዳይ ሕማም ረሲዕ ግን እቶም ኣብ ሱሳታት ዕድመ ዘለዉ ሰባት ብተዛማዲ ንኣሽቱ`ዮም። መጠን ረሲዕ ኣብ ክሊ`ዚ ዕድመ`ዚ ብሓደ ሲሶ ምቕናስ እንተተኻኢሉ ኣብ'ቶም እቲ ሕማም ብብዝሒ ዝራኣየሎም ካብ'ኡ ንላዕሊ ዝዕድመኦም ሰባት ኣዝዩ ዓቢ ድርኺት ምሃለዎ ይብሉ`ቶም ተመራመርቲ። \"ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ምደሓኑ ነይሮም ማለት'ዩ\" ኢሉ ዶ\/ር ዴቪድ ለወሊን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ። እዚ ከምዚ ዓይነት መጽናዕቲ ግን ኩነተ-መነባብሮ ኣብ ሕማም ረሲዕ ዝተፈላለየ ሳዕቤን ኣለዎ ኢሉ ብጭቡጥ ከረጋግጽ ኣይክእልን`ዩ። ነቶም ኣሰራርዓታት ናይ ሓበሬታታት\/መረድስእታታት ጥራይ`ዩ ዘስተብህለሎም። እቲ ውጽኢት ግን ምስ`ቶም ኣቐዲሞም ዝተኻየዱ ምርምራትን ምኽሪ ውድብ ጥዕና ዓለምን ይሰማማዕ'ዩ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49013392"} {"headline":"ብመሳርሕቱ ተመሪዙ ንዓመታት ክሳቐይ ዝጸንሐ መንእሰይ ህይወቱ ሓሊፉ","content":"ኣብ ጀርመን ብመሳርሕቱ መግቡ ዝተመረዘ ዉልቀሰብ፡ ንኣርባዕተ ዓመታት ብዘይ ሃለዋት ክሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ህይወቱ ከም ዝሓለፈ መራኸቢ ብዙሓን ካብታ ሃገር ጸብጺበን። እቲ ወዲ 26 ዓመት ንምሳሕ ኣብ ዝተዳለወሉ ሳንድዊች ዝተገብረ ኬሚካላት ሊድን ሜርኩርን ልዑል ናይ ኣእምሮ መጉዳእቲ ኣስዒብሉ ነይሩ። ካልኦት ክልተ ብጾቱ'ውን ነቲ ሓደጋ ተቓሊዖም ናይ ኩሊት መጉዳእቲ ኣጋጢምዎም'ዩ። ዝሓለፈ ዓመት፡ ምስቲ ጉዳይ ብዝተኣሳሰር ክላውስ ኦ ዝተብሃለ ሰብ ብፈተነ ቅትለት ተኸሲሱ ናይ ሕልፈት ማእሰርቲ ተበይንሉ ነይሩ። እቲ ግዳይ ህይወቱ ምስ ሓለፈ ግና፡ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ጀርመን፡ ሓድሽ ፍርዲ ከሕልፍ ከም ዝኽእል፡ ኣኽባር ሕጊ ተዛሪቡ። እቲ ተግባር፡ ኣብ 2018፡ ሓደ ሰራሕተኛ ትካል ምግጥጣም ሓጻዊን ከተማ ስኮሎስ ሆልተ-ሰተከንብሮከ (ሰሜናዊ ምዕራብ ጀርመን)፡ ኣብ መግቡ ጻዕዳ ነገር ድሕሪ ምርካቡ እዩ ተፈሊጡ። ብድሕሪ'ዚ ኣብቲ ትካል፡ ካሜራታት ክግጠም ከሎ፤ ክላውስ ኦ፡ ኣብ ናይ መሳርሕቱ ሳንድዊች ገለ ክሕውስ ከሎ በቲ ካሜራ ተሳኢሉ። እቲ ኣብቲ መግቢ ዝተሓወሰ ሓደገኛ ኬሚካል ሊድን ሜርኩርን ምዃኑ ብመርመራታት ድሕሪ ምርግጋጹ፡ መንበሪ ገዛ ክላውስ ኦ ክፍተሽ ከሎ እቲ ኬሚካላታት ተረኺቡዎ። ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝነበረ መስርሕ ፍርዲ፡ ዳኛ \"እቲ ውልቀሰብ ብሓፈሻ ንህዝቢ ሓደገኛ ብምዃኑ እቲ ፍርዲ ክጎድል ኣይግባእን\" ብምባል ውሳነ ሂቡ። ክላውስ ኦ \"ዝተፈላለዩ ኬሚካላት ንማናቲለ ክሳብ ክንደይ ተጓዳኢ ምዃኑ ይመራመር\" ምንባሩ ሓደ በዓል ሞያ ስነልቦና ነቲ ቤትፍርዲ ሓቢሩ።","category":"መግቢ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51060929"} {"headline":"ፕረዚደንት ሶማልያ ንወግዓዊ ዑደት ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ","content":"ቅድሚ ኣዋርሕ ፕረዚደንት ሶማልያ ኰይኑ ዝተመረጸ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ወግዓዊ ዑደት ንምክያድ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ። ፕረዚደንት ሓሰን፡ ናብ ስልጣን ምስ መጸ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ናይቲ ዞባ ወግዓዊ ዑደት ዝገበረ ዀይኑ፡ ናብ ኢትዮጵያ ክበጽሕ ከኣ ትጽቢት ክግበረሉ እዩ ጸኒሑ። እቲ ፕረዚደንት፡ ሎሚ ረቡዕ መስከረም 18\/2015 ዓ.ም [ግእዝ] ንግሆ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተወ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ተረኺቡ ተቐቢልዎ። እታ ምስ ዘይርግእቲ ሶማልያ ነዊሕ ዝዝርጋሕ ዶብ ዘለዋ ኢትዮጵያ፡ ንመንግስቲ እታ ሃገር ንምድጋፍን፡ ንዕጡቕ ጕጅለ ኣልሸባብ ንምምካትን፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕብረት ኣፍሪቃ ሰራዊታ ካብ እተዋፍር ዓመታት ኣቝጺሩ ኣሎ። ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝጸንሐሉ እዋን፡ ኣብ ሓባራዊ ጉዳያት ክልቲአን ሃገራት ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ክዘራረብ ትጽቢት ይግበር። ምስ ኣልቓዒዳ ምትእስሳር ኣለዎ ተባሂሉ ዝሕመ ዕጡቕ እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ዶብ ሰጊሩ ኣብ ኢትዮጵያ ጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ዝዝከር እዩ። ነቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ጥቡቕ ምሕዝነት ከም ዝነበሮ ዝንገረሉ ዓብደላሂ ፋርማጆ፡ ብምስዓር ንኻልኣይ ግዚኡ ፕረዚደንት ሶማልያ ኰይኑ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ዝተመርጸ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ናብ ኣሜሪካ ሓዊሱ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምብጻሕ ኣካይዱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊቱ ኣብ ሶማልያ ካብ ምውፋር ብተወሳኺ፡ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ኣልሸባብ ንሓያሎ ዓመታት ዓቢ መሻርኽቲ ኰይኑ ጸኒሑ’ዩ። ብፍላይ ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ስግረ ዶብ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ብዙሓት ዕጡቓትን ላዕለዎት መራሕቲ ናይቲ ጕጅለን ብሰራዊት ኢትዮጵያ ከም ዝተቐትሉን ከም ዝተማረኹን መንግስቲ ኣፍሊጡ። ኣልሸባብ ግን መራሕቱ ከም ዘይተቐትሉ እዩ ዝገልጽ። እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት፡ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ኬንያን ጅቡትን ካብኡ ሓሊፎም ድማ ናብ ኤርትራን ግብጽን ወግዓዊ ዑደት ከምዝገበረ ዝዝከር እዩ። ፕረዚደንት ግብጺ ዓብዱልፈታሕ ኣ'ሲሲ፡ ኣብ ካይሮ ምብጻሕ ምስ ዘካየደ ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ጉዳይ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ከምዝተዘራረቡ ተገሊጹ ነይሩ። ኣብቲ መግለጺ፡ ኣ'ሲሲ፡ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት፡ ኢትዮጵያ “ብውልቃ ስጕምቲ ምውሳዳ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክህልዎ እዩ” ከምዝበለ ማዕከን ሓበሬታ ኣናዶሉ ጸብጺቡ። ድሒሩ ግን፡ ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማልያ፡ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ንግብጺ ዝውግን ርእይቶ ከምዘይሃበ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ck58653583go"} {"headline":"ሳልሳይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰን ጥርዓን ግብጺን","content":"ኢትዮጵያ እዚ ዓመት 2014 [ግእዝ] ቅድሚ ምዝዛሙ፡ 3ይ ዙር ምምላእ ማይ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ከምእተካይድ ከተፍልጥ ጸኒሓ እያ። እንተዀነ ግብጺ፡ ኣብ ዛዕባ ምምላእ ማይን ሓፈሻዊ ስርሓትን እቲ ግድብን ብዝምልከት ኣቐዲምካ ኣብ ስምምዕ ምብጻሕ ከምዘድሊ ክትገልፅ ትስማዕ። ንሳልሳይ ዙር ምምላእ ማይ ብዝምልከት ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ወግዓዊ መግለጺ'ኳ እንተዘይተወሃበ፡ ግብጺ ግን ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቢላ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ኣቕሪባ ኣላ። ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ሳልሳይ ዙር ምምላእ 'ቲ ግድብ ክተካይድ ምዃና ገሊጻ'ኳ እንተነበረት፡ ነቲ መስርሕ ምምላእ ኣመልኪታ ዝገለጸቶን ብዕሊ ዘፍለጠቶን ሓበሬታ ግን የለን። ኣሳእል ሳተላይት ዝጠቕሱን እቲ ምምላእ ከምዝተጀመረ ዝሕብሩን ኣካላት ብወገኖም፡ ኢትዮጵያ ሳልሳይ ዙር ምምላእ ማይ ከምዘካየደት ብማሕበራዊ ሚድያ ይገልፁ ኣለዉ።\\n\\nቢቢሲ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ንሳልሳይ ዙር ምምላእ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ፡ \"እቲ ምምላእ ብመሰረት እቲ ወጺኡ ዘሎ ውጥን ክካየድ እዩ\" ካብ ዝብል መብርሂ ዝሓልፍ ዝርዝር ሓበሬታ ክረክብ ኣይከኣለን። ክህነጽ ካብ ዝጅመር ዓሰርተ ዓመታት ዘቝጸረ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ግብጽን መንቀሊ ወጥሪ ኰይኑ ኣብ ኣጋ መፈጸምታኡ በጺሑ'ሎ። ግብጺ ካብቲ ልዕሊ 85 ሚእታዊት መጠን ማይ ካብ ኢትዮጵያ ዝብገስ 'ናይል' እትረኽቦ ማይ ክንኪ ከምዝኽእል ብምሕባር ስግኣታ ክትገልጽ ምፅንሓ ይፍለጥ። ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሊግ ዓረብ፡ ሕቡራት ሃገራትን ሓያላት ሃገራት ምዕራብን ኣብ ጕዳይ እቲ ግድብ ክድግፍዋ ብተደጋጋሚ ክትሓትት ጸኒሓ እያ። ኣብ ኢትዮጵያ ወቕቲ ክራማት ክኸውን እንከሎ፡ ግብጺ ነተን ፅልዋ ከሕድራ ይኽእል እየን እትብለን ሃገራትን ትካላትን፡ ኣብ ዙርያ ኣጠቓቕማ ማይ ሕጋውን ቀያድን ስምምዕ ንኽፍጸም ሸምግላና ክትብል ትስማዕ። ሎሚ'ውን ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሹክሪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ናብ ፕረዚደንት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ኢትዮጵያ ብዘይ ቀያዲ ስምምዕ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ቀጺላትሉ ኣላ ክብል ተቓውሞ ሃገሩ ኣቕሪቡ'ሎ። ሱዳንን ግብጽን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፡ \"ኣብ ስምምዕ ከይበጻሕና ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ማይ ክትመልኦ ኣይትኽእልን\" ብዝብል ተቓውሞን መጠንቀቕታን ከቕርባ ጸኒሐን'የን። ኢትዮጵያ ግን እቲ ምምላእ ማይ ተፈጥሮኣዊ መስርሕ ከምዝዀነን ሕቶአን ተቐባልነት ከምዘይብሉን ብምግላጽ፡ ክልተ ዙርያ ምምላእ ከምዘካየደት ኣፍሊጣ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ሳልሳይ ዙር ምምላእ ማይ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ከምዝካየድ'ኳ እንተገለፀ፡ ገለ ማዕከናት ዜና ግብጺ ግን ካብ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ጀሚሩ ከምዝተኻየደ ምስሊ ሳተላይት ብምውካስ ይገልጻ ኣለዋ። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ዛጊድ ዝተወሃበ ወግዓዊ መግለጺ የለን። ሰበስልጣን ግብጺ ብተደጋጋሚ ኣብ ዘልዕልዎ ጥርዓን፡ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ 2015 [ኣ. ኣ] ዝተበጽሐ \"መትከላዊ ስምምዕ\" ከምዝጠሓሰት ይኸሱ። እቲ ስምምዕ፡ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዝግበር ምትሕብባር፡ ፍትሓውን ርትዓውን ኣጠቓቕማ ማይ፡ ኣብ ልዕሊ ዝዀነት ሃገር \"ከቢድ ጕድኣት ዘስዕብ እንተዀይኑ\" እቲ ጕድኣት ብዝዀነ መንገዲ ክውገድ ከምዘለዎ ዝጠቅስ እዩ እትብል ግብጺ ዘለዋ ስግኣት ትሕብር። ኢትዮጵያ ብወገና፡ እቲ ግድብ ንመመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝውዕል ስለዝዀነ፡ ኣብተን ሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ርኡይ ጕድኣት ከምዘየውርድን ነቲ ማይ ናይ ምጥቃም መሰላ ኣብ ሕቶ ዘእቱ ግዴታ ከምዘይትፍርምን ትገልጽ። ግብጺ ብኣንጻሩ፡ ሩባ ኒል (ኣባይ) ብቐንዱ ንሕርሻን መስተን ዝውዕል ምንጪ ማይን ስለዝዀና፡ መጠኑ እንተነክዩ ኣብ ህይወት ህዝባ ከቢድ ጸቕጢ ከም ዘስዕብ ብምግላፅ፡ ረብሓኣ ንምርግጋጽ ዘድሊ ኵሉ ከም እትገብርን ኣፍሊጣ'ያ። ምስ ሱዳን ወተሃደራዊ ስምምዕ ብምግባር'ውን ወተሃደራዊ ልምምድ ክሳብ ምክያድ በጺሓ እያ። ኢትዮጵያ ድማ ብሰንኪ ሕጽረት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝሳቐ ንዘሎ ህዝባ ብርሃን ንምርኣይን ኢንዳስትሪኣ ንምሕያልን ፕሮጀክት እቲ ግድብ ከምዘይትደራደረሉ ብምግላጽ፡ ብዝዀነ ይዅን መገዲ ክትሕልዎ ድልውቲ ከምዝዀነት ገሊጻ እያ። ኣሜሪካ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኲናት ስዒቡ፡ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምሻም፡ እቲ ሹመኛ ድማ ኣብ ጕዳይ ግድብ ህዳሰ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ስምምዕ ንኽፍጸም ከም ዝጽዕር ክትገብር ጸኒሓ እያ። ኣብ ፈለማ ሓምለ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝተራኸቡ ፕረዚደንት ባይደንን ፕረዚደንት ኣል ሲሲን ንጕዳይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝምልከት ዘተ ከምዘካየዱ ናይ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብያተ ጽሕፈት ወግዓዊ ምግባሮም ይዝከር። ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ኣብ ጉዳይ እቲ ግድብ ንውሕስነት ማይ ግብጺ ብዘኽብር መልክዑ፡ \"ቀያዲ ሕጋዊ ስምምዕ\" ክፍጸም ዘለዎ ድልየት ንባይደን ገሊጹሉ ነይሩ። ባይደን ድማ ሃገሩ ነዚ ሕቶ'ዚ ግብጺ ከምእትድግፍ ከምኡ ድማ ንሰላምን ምዕባለን እቲ ዞባ እጃም ዘለዎን ንረብሓ ኵሎም ወገናት ዝዕቅብን ስምምዕ ክካየድ ከምዝደሊ ምዝራቡ ጸብጻባት የመልክቱ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3gw9dnzwydo"} {"headline":"ኢትዮጵያ ምስ ማላውን ግብጽን ካብ እትገብሮ ግጥም እንታይ ውጽኢት ክንጽበ ንኽእል?","content":"ዝቕጽል ጸወታታት ዋንጫ ኣፍሪቃ ብኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ኣብ 2023 ኣብ ኣይቮሪኮስት ክካየድ እዩ። ፕረዚደንት ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ፡ ካፍ፡ ሃገራት ብምድብ ተደላዲለን ናይ መጻረዪ ጸወታአን ከም ዝጀመራ ይሕብር። ኢትዮጵያ ኣብ ጉጅለ ኣርባዕተ ምስ ግብጺ፣ ጊኒን ማላዊን እያ ተመዲባ።\\nኮይኑ ግና ሜዳታት ኢትዮጵያ መጻረዪ ጸወታታት ኣፍሪቃ ከተኣናግዳ ብቕዓት ስለዘይብለን ኢትዮጵያ ኣብ ሜዳ ሳልሰይቲ ሃገር እያ ክትፃወት። እታ ዋልያ ብዝብል ቅጽል ስም ትፅዋዕ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሜዳኣ ክትፃወት \"ስለዘይተዓደለት\" ምስ ግብፂ ትገበሮ ፈላማይ ግጥም ካብ ሜዳ ክልትኤን ሃገራት ወጻኢ እዩ ክግበር። መጀመርታ ግና ምስ ማላዊ እያ ክትጋጠም። ኣሰልጣኒ ውበቱ አባተ ነታ ጋንታ እናመርሐ ናብ ርእሰ ከተማ ማሊ ሊሎንጉዌ ቅድሚ ምኻዱ መግለጺ ሂቡ ነይሩ። “ምስ ግብፂ ኣብ ሜዳና እንተንጋጠም ደስ ምበለና ነይሩ” ክብል ርእይቶኡ ገሊፁ። ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ካብ ግንቦት 16 ጀሚሩ ምድላዋት ክትገብር ጸኒሓ እያ። ኣሰልጣኒ ውበቱ መጀመሪያ 28 ተጻወቲ መልሚሉ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ሌሶቶ ናይ ምሕዝነት ግጥም ምስኣካየደ እቶም ናይ መወዳእታ 23 ተጻወቲ መልሚሉ ወዲኡ እዩ። እቶም ናብ ማላዊ ዝኸዱ መን መን እዮም? ፋሲል ገብረሚካኤል፣ በረከት አማረን ዳግም ተፈራን ሓለውቲ ልዳት ኮይኖም ናብ ማላዊ ክኸዱ እዮም። ኣስራት ቱንጆ፣ ረመዳን የሱፍ፣ ሄኖክ ኣዱኛ፣ ሱሌይማን ሃሚድ፣ ምኞት ደበበ፣ ያሬድ ባዬ፣ ጊት ጋትኩትን ሚሊዮን ሶሎሞን ተኸላኸልቲ ኮይኖም ዝተሓረዩ እዮም። ማእኸላይ መስመር ብሽመልስ በቀለ ዝምራሕ እንትኾን ኣማኑዔል ዮሃንስ፣ ጋቶች ፓኖም፣ ሱራፌል ዳኛቸው፣ በዛብህ መለዮና መስዑድ መሓመድ ተሓርዮም ኣለዉ። ኣቡበከር ናስር ንመስመር ምጥቃዕ ክመርሕ እዩ። ብተወሳኺ ኣማኑዔል ገብረመድህን፣ ቸርነት ጉግሳ፣ ዳዋ ሆቴሳ፣ በረከት ደስታን ይገዙ ቦጋለን ኣብ ምጥቃዕ ክስለፉ እዮም። ውበቱ ከምቲ ልሙድ ኣሰላልፋ 4-4-3 ከምዝጥቀም ትፅቢት ይግበር። እቲ ውሩይ ኣጥቃዓይ ጌታነህ ከበደ ግን ምስቲ ኣሰልጣኒ ብዝተፈጠረ ዘይምርድድዳእ ከምዘይተሓረየ ውበቱ ሓቢሩ ኣሎ። ማላዊ ዘፍሌምስ ብዝብል ትፅዋዕ ጋንታ ማላዊ ኣብ ዝሓለፈ ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ ካብ ምድባ ሓሊፋ ነይራ። ኣብ ካልኣይ ዙር ግና ብሞሮኮ ተሳዒራ ካብቲ ውድድር ከምዝወፀት ይዝከር። ኢትዮጵያን ማላዊን ብኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ካብ 2003 ጀሚሩ 6 ግዘ ብምሕዝነት ተፃዊተን እየን። ማላዊ ክልተ ግዘ ብምስዓር ልዕልነት ክትወስድ እንከላ፡ ኢትዮጵያ ሓደ ግዘ ስዒራ ነይራ፤ ኣርባዕተ ግዘ ድማ ማዕረ ወፂአን። ዘፍሌምስ፡ ኣብ ደረጃ ሰደቓ ጋንታታት ዓለም፡ መበል 120 እንትኾን ኢትዮጵያ ድማ ኣብ መበል 140 ትርከብ። ኢትዮጵያን ማላዊን ሰንበት 26 ግንቦት 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ሰዓት 10፡00 ኣብ ቢንጉ ሃገራዊ ስታድዬም ክፃወታ እየን። ግብፂ ፈርዖን ብዝብል ትፅዋዕ ሃገራዊ ጋንታ ግብፂ ካብቲ ምድብ ክትሓልፍ ዓብዪ ግምት ዝተውሃባ ጋንታ እያ። እቲ ውሩይ ተጻዋታይ ሞ ሳላሕ ነታ ጋንታ እናመርሐ ናብ ሜዳ ከምዝኣቱ ትፅቢት ይግበር። ንዋንጫ ዓለም ክትሓልፍ ዘይክኣለት ጋንታ ግብፂ፡ ሓድሽ ኣሰልጣኒ ቖፂራ ኣላ። ወዲ 54 ዓመት ሓድሽ ኣሰልጣኒ ኢሃብ ጋላል ንዋንጫ ኣፍሪቃ ምሕላፍ ቀንዲ ዕላምኦም ከምዝኾነ ድማ ገሊፁ ኣሎ። ግብፂ ምስ ጊኒ ምስተፃወተት 2 ሰነ 2014 ምሸት ሰዓት 1፡00 ኣብ ሜዳ ማላዊ ምስ ኢትዮጵያ ክትገጥም እያ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c97lw29x3p8o"} {"headline":"ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ናይ ኣፍሪቃ ዑደቱ ጀሚሩ","content":"ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ፡ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ክገብሮ ዝተወጠነ ዲፕሎማስያዊ ጕዕዞ ብግብጺ ዝጀመረ ኰይኑ፡ ንሱ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ሩስያ ዓለምለኻዊ ቅልውላው ምግቢ ኣስዒባ ዝብል ክሲ ምዕራባውያን ነጺግዎ። ላቭሮቭ፡ ነቶም ኣብ ካይሮ ዝርከቡ ኣምባሳደራት ሊግ ዓረብ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ምዕራባውያን፡ እቲ ዝገበርዎ ማዕቀባት ኣብ ዓለምለኻዊ ውሕስነት ምግቢ ዘሕድሮ ኣሉታዊ ጽልዋ ይኽሕዱ ከምዘለዉ ገሊጹ። ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ተጽዕኖ ክገብራ ይጽዕራ ከምዘለዋ'ውን ከሲሱ። መብዛሕትኡ ክፋል ሃገራት ዓረብን ኣፍሪቃን፡ ብሰንኪ እቲ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ትገብሮ ዘላ ኲናት ሕጽረት እኽሊ ኣጋጢምዎ እዩ። ሰደድ እኽሊ ዩክረይን ንኽቕጽል ኣብዚ ሰሙን ዝተገብረ ታሪኻዊ ውዕል፡ ሩስያ ቀዳም ኣብ ወደብ ኦዴሳ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻማ፡ ነቲ ስምምዕ ኣጠራጣሪ ገይርዎ ኣሎ። ሚስተር ሰረገይ ላቭሮቭ ደገፍ ንምርካብ ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ምብጻሕ ከካይድ እዩ። ሚስተር ላቭሮቭ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘንበራኦ \"ቍጥዐ\" ዝመልኦ ማዕቀብ ዘመልክቶ ቀሊል መደምደምታ፡ \"ብዛዕባ ዩክረይን ዘይኰነስ ብዛዕባ መጻኢ ስርዓት ዓለም እዩ\" ክብል ገሊጽዎ። \"ኵሉ ሰብ ነቲ ኣብ ሕጊ ዝተመስረተ ስርዓተ ዓለም ክድግፍ ኣለዎ ይብሉ። እቲ ሕግታት ከኣ ኣብቲ ምዕራባውያን ንጥቕሞም ኢሎም ክፈትሕዎ ዝደልዩ ፍሉይ ኵነታት ተመርኲሱ ዝተጻሕፈ እዩ።\" ኣቐድም ኣቢሉ ሚስተር ላቭሮቭ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሹክሪ ዘተ ኣካይዱ ነይሩ እዩ። ግብጺ፡ ምስታ ስርናይን ኣጽዋርን ተቕርበላን ከምኡ'ውን ንዩክረይን ክሳዕ ትወርር ብዙሓት በጻሕቲ ዝመጽኡላ ዝነበረት ሩስያ ዓቢይ ምትእስሳር ኣለዋ። ሚስተር ላቭሮቭ ምስ ሚስተር ሹክሪ ድሕሪ ምዝታዩ፡ ምዕራባውያን \"እንታይን መወዳእታ መንን\" ከም ዝኸውን'ኳ እንተ ተረድኡ፡ ነቲ ግጭት የናውሕዎ ከም ዘለዉ ኣብ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ተዛሪቡ። ሚስተር ሰርገይ ላቭሮቭ እዚ ብግብጺ ጀሚርዎ ዘሎ ዑደት ንኣፍሪቃ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ከምኡ'ውን ኮንጎ-ብራዛቪል ናይ ዝገብሮ ምብጻሕ መፈለምታ እዩ። ኤርትራ ነቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ መጋቢት ዝሓለፈ፡ ንወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዝዅንን ውሳነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምንጻግ'ውን ጸግዒ ሩስያ ዝወሰደት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ምዃና ዝዝከር ኰይኑ፡ ሰርገይ ላቭሮቭ ኣብዚ ዑደቱ'ዚ ኣይጸንበራን። ሚስተር ላቭሮቭ፡ ነቲ ናይ ኣፍሪቃ ምብጻሕ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ሩስያ ወትሩ \"ንኣፍሪቃውያን ኣብቲ ካብ ኣርዑት መግዛእቲ ናጻ ንምዃን ዝገበርዎ ቓልሲ ብልቢ ትድግፍ ከም ዝነበረት\" ገሊጹ ነይሩ። ወሲኹ፡ ሩስያ ነቲ ኣፍሪቃውያን ኣብ ጕዳይ ዩክረይን ዘለዎም \"ሚዛናዊ መርገጽ\" ከም ተኽብር ሓቢሩ። ዩክረይንን ሩስያን መብዛሕትኡ ግዜ ኣፍሪቃ ካብቲ ዘድልያ ልዕሊ 40 ሚእታዊት ስርናይ ከም ዘቕርባ፡ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ይሕብር። ግብጺ ቀንዲ ተጠቃሚት ስርናይ ዩክረይን እያ። ኣብ 2019 ካብ ዝዀነ ይዅን ሃገር ንላዕሊ 3.62 ሚልዮን ቶን ስርናይ ካብ ዩክረይን ኣእትያ እያ። ሚስተር ላቭሮቭ ግን፡ ነቲ ሩስያ \"ጥሜት ትልእኽ ኣላ\" ዝብል ክሲ ነጺጉ፡ እዚ ፕሮፓጋንዳ ምዕራባውያን እዩ ክብል ወቒሱ። ኣብ ርእሲኡ፡ እቲ ምዕራባውያን ኣብ ሩስያ ዘንበራኦ ማዕቀብ፡ ኣብቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይስ ዝተፈጥረ ዓለምለኻዊ ዕዳጋ ምግቢ \"ኣሉታዊ ምዝባዕ\" ከም ዘስዓበ ሓቢሩ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c10vn9zvr51o"} {"headline":"ህንፀት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ 83 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ተሓቢሩ","content":"ህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ 83 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ግድብ ኢንጂነር ክፍሌ ሆሮ ገሊጹ። እቲ ኣካያዲ ስራሕ፡ ነዚ ዝገለፀ እቲ ግድብ ካልኣይ ተርባይን ምፍራይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምጅማር ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት እዩ። ንዓሰርተ ዓመታት ኣብ ህንፀት ዝፀንሐ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዝበዝሕ ስራሕቲ ህንፀቱ ናብ ምዝዛም ቀሪቡ ከምዘሎን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ፈላማይ ምፍራይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝጀመረ ዝዝከር እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ክልተ ዙርያ ምምላእ ማይን ኣብዚ ወርሒ ድማ ሳልሳይ ዙር ምምላእ ማይ ተኻይድሉ ኣሎ። ኣብዚ ስነ-ስርዓት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፣ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብቲ እቲ ግድብ ዝርከበሉ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ተረኺቦም። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ኣካያዲ ስራሕ ህንፀት እቲ ግድብ ዝኾኑ ኢንጂነር ክፍሌ ሆሮ 95 ሚኢታዊ ሲቪል ስራሕቲ እቲ ግድብ ከምዝተዛዘመ ገሊጹ። ብተወሳኺ ህንፀትን ምትካልን ስራሕቲ ኤሌክትሮ-መካኒካል እቲ ግድብ ናብ 61 ሚኢታዊ ክብ ከምዝበለን ናይ ማይ መተሓላለፍቲ ቱቦታት ሓፂን ስራሕቲ ድማ 73 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐን ገሊጹ። ኣብዚ ዓመት’ዚ ብዘይካ’ቲ ሲቪላዊ ስራሕቲ፡ ካብቶም ንጥፈታት መካኒካል ተታሒዞም ዝነበሩ ትልምታት፡ ክልተ ተርባይናትን ጀነሬተራትን ተዛዚሞም ኣለዉ። እቲ ሓላፊ ወሲኹ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እቲ ግድብ ክሳብ 141 ሜትሮ ሓፍ ኢሉ ሳልሳይ ዙር ማይ ምምላእ ከምዝተፈፀመን ሓቢሩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ስራሕቲ ህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ 83 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ዝገለጸ ኢንጂነር ክፍሌ፡ እቶም ዝተረፉ ስራሕቲ ድማ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ክዛዘሙ ትልሚ ተታሒዙ ከምዘሎ ኣአንፊቱ። እቲ ግድብ ካልኣይ ተርባይን ዩኒት ትሽዓተ፡ ሎሚ ጸዓት ምምንጫው ዝጀመረ እንትኾን፡ 270 ሜጋዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከምዘለዎ ይንገር። ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ኢትዮጵያ ሳልሳይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ከምእትፍፅም ምስ ገለጸት፡ ግብፂ ናብ ቤት-ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ጥርዓን ከምዘቕረበት ዝዝከር እዩ። ግብፂ ነቲ ውድብ ኣብ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ስምምዕ ከይበጽሐት ብኢደ ወነና ምምላእ ማይ  ክትፍጽም የብላን ዝብል ተቓውሞኣ ኣመዝጊባ። ኢትዮጵያ ግና፡ ህንፀት እቲ ግድብን ምምላእ ማይን ንምዝዛም ኣብ ታሕተዋይ መፋስስ ዝርከባ ሃገራት ዝኾነ ጉድኣት ከምዘየለ ብምግላጽ ተቓሪባ ኣላ። እቲ ልዕሊ ሓሙሽተ ቢልዮን ዶላር ወፃኢ ብምግባር ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ሜጋዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከም ዘመንጩ ዝግለፅ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ፡ ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ንዝርከባ ጎረባብቲ ሃገራት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከቕርብ ትፅቢት ይግበር። ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ እምነ መሰረት ህንፀቱ ብ24 መጋቢት 2003 ዓ\/ም ብቀዳማይ ሚኒስተር ነበር መለስ ዜናዊ ዝተነብረ እንትኾን፡  ኢትዮጵያ ብምዕራብ ምስ ሱዳን ኣብ እትደወበሉ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ወረዳ ጉባ ይርከብ። እቲ ግድብ ንምህናፅ 80 ቢልዮን ብር (ልዕሊ 4 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ) ከምዝወፅእ ይንገር፤ ህንፀቱ ድማ ብቐንዱ ብኢጣልያዊ ኮንትራክተር ሳሊኒ ኢምፕረጂሎ ከምዝስራሕ ይግለፅ። እቲ ህንፀቱ ምስተዛዘመ ድማ 145 ሜትሮ ቁመት ዘለዎ ኣብ ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየ ግድብ ምፍራይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክኸውን እዩ። ንውሓቱ 1.8 ኪ.ሜ እዩ። እቲ ግድብ ሙሉእ ብሙሉእ ምስ ተሃነፀ እቲ ዝሕዞ መጠን ማይ 74 ቢልዮን ኪዩቢክ ሜትር ይኸውን፤ እቲ ግድብ ዝሽፍኖ ስፍሓት 1680 ትርብዒት ኪሎ ሜትር ክኸውን እዩ። ነዚ ዕላማ እዚ ድማ ኣብ ተኸታተልቲ ዓመታት ዝስራሕ ምምላእ ማይ ክህሉ እዩ። እዚ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝኾነ ግድብ 13 ተርባይናት ዝሓዘ ኮይኑ ሓደ ተርባይን ድማ ብማእከላይ 375 ሜጋዋት ሓይሊ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከምዘለዎ ይንገር። ብመሰረት እቲ ትልሚ፡ 13 ለካቲት 2014 ዓ.ም ምፍራይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብሓደ ተርባይን ከምዝጀመረ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኩሎም ተርባይናት ስራሕ ምስ ጀመሩ፡ ጠቕላላ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ዓብይ ግድብ ህዳሰ 5 ሽሕን 150ን ሜጋዋት ከምዝበፅሕ ይዝከር።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cjj41wwx4zpo"} {"headline":"ግብጺ፡ ኣብ ቤተክርስትያን ብዝተላዕለ ባርዕ ሓዊ ብውሕዱ 41 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ግብጺ ኣብ ጊዛ ዝርከብ ቅብጣዊ ቤተክርስትያን ብዝተፍጥረ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ፡ ብውሑዱ 41 ሰባት ሞይቶም። መብዛሕትኦም ካብቲ ሓደጋ ንምህዳም ኣብ ዝዳፍእሉ እዋን ብዝተፈጥረ ምጭፍላቕ እዮም ሞይቶም። ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ ቍጽሪ ዝሞቱ ብውሕዱ 41 ከምዝዀነን፡ ብዓሰርተታት እውን ከምዝቘሰሉ ገሊጾም። ካብቶም ዝሞቱ ህጻናት ከምዝርከብዎም ይእመን። 5 ሽሕ ኣምለኽቲ ኣብ ቤተክርስትያን ኮፕቲክ ኣቡ ሲፊን ንቅዳሴ ኣብ ዝተኣከቡሉ እዋን፡ ባርዕ ኤሌክትሪክ ከምዝተላዕለ ምንጭታት ጸጥታ ንሮይተርስ ሓቢሮም። እቲ ባርዕ ንሓደ መእተዊ መንገዲ ዓጽዩ፡ ዕግርግር ከም ዘስዓበ እውን ገሊጾም። ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ፡ እቲ ባርዕ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከምዝኣተወ ሓቢሩ’ሎ። ይዅን እምበር ኣብ ከባቢ ኢምባባ ካብ ዝርከብ ካልእ ጎረቤት ቤተክርስትያን ዝመጹ ኣቡነ ፋሪድ ፋህሚ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ሓደጋ ብሰንኪ ምትንኻፍ ገመዳት ኤለትሪክ ከምዝተፈጥረ ገሊጾም። \"መብራህቲ ስለዝጠፍአ ጀነሬተር ይጥቀሙ ነይሮም፡\" ይብሉ። \"እቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሃንደበት ክምለስ ከሎ ልዕሊ ዓቐን ክኸውን ክኢሉ።\" ኣመንቲ፡ ብዛዕባ'ቲ ባርዕን ዝሰዓበ ኵነታትን ይገልጹ ኣለው። \"ኣብ ሳልሳይን ራብዓይን ደርቢ ሰባት ተኣኪቦም ነይሮም፣ ካብ ካልኣይ ደርቢ ድማ ትኪ ክወጽእ ርኢና። ሰባት ብመደያይቦ ክወርዱ ተጓይዮም ኣብ ልዕሊ ንሕድሕዶም ድማ ክወድቁ ጀሚሮም\" ክብል ያሲር ሙኒር ንሮይተርስ ተዛሪቡ። \"ድሕሪኡ ካብ መስኮት ማሕታ ሓዊ ክወጽእ ሰሚዕና\" ዝበለ ያሲር ንሱን ጓሉን ኣብ ታሕተዋይ ደርቢ ስለዝነበሩ ክሃድሙ ከምዝኸኣሉን ሓቢሩ። ፕረዚደንት ግብጺ ዓብዱልፈታሕ ኣልሲሲ፡ \"ንቤተሰብ እቶም ምስ ጎይታኦም ክኾኑ ህይወቶም ዝሰኣኑ ንጹሃት ግዳያት ልባዊ ጽንዓት ይሃብኩም፡\" ኢሉ። ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ጠንቂ እቲ ባርዕ ንምጽራይ ናብቲ ቦታ ጕጅለ ከምዝለኣኸ ኣፍሊጡ’ሎ። ጊዛ ካብ ካይሮ ስግር ሩባ ኒል ትርከብ ኰይና ኣካል ዓባይ ከተማ ካይሮ እያ። ቅብጣውያን ክርስትያናት ካብቶም 103 ሚልዮን ህዝቢ ግብጺ፡ እንተወሓደ 10 ሚልዮን ይዀኑ። ቅብጣውያን ክርስትያናት ኣድልዎ ከምዘጋጥሞምን ኣብ ህዝባዊ ህይወት ግብጺ ዝወሓደ ተራ ከምዘለዎምን ይዛረቡ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c19mr14jr1yo"} {"headline":"ክዕምጻ ንዝፈተነ ዘዋሪ ባጃጅ ዝቐተለት ሶማላዊት ንእስቲ ናጻ ተባሂላ","content":"ኣብ ግብጺ ክዕምጻ ንዝፈተነ ዘዋሪ ባጃጅ (ሰለስተ እግሪ ዘለዋ ተሸከርካሪት)፡ ዝቐተለት ሶማላዊት ንእስቲ ካብ ማእሰርቲ ብነጻ ተለቒቓ፡፡ እታ ጓል 15 ዓመት ንእስቲ፡ ነቲ ዘዋሪ ከምዝቐተለቶ ብምግላጽ ኢዳ ንፖሊስ ምስሃበት ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ማእሰርቲ ከምዝተፈተሐት መራኸብቲ ብዙሃን እታ ሃገር ገሊጸን፡፡ ፖሊስን ናይ ሕክምና መርመርትን፡ እታ ንእስቲ ንባዕላ ኣብ ምክልኻል ነቲ ሰብኣይ ከምዝቐተለቶ ዝመላኽት መረዳእታ ምርካቦም እውን ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ግብጺ ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡ እታ ንእስቲ ብዓርቢ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈተሐት ኮይና ምርመራ ግን ክቕጽል እዩ፡፡ ኣህራም ኦንላይን ከምዝጸብጸቦ፡ እቲ ዘዋሪ ባጃጅ ነታ ንእስቲ ናብ ርሑቕ ቦታ ወሲዱ ክዕምጻ ከምዝፈተነ ንፖሊስ ገሊጻ እያ፡፡ ንነብሳ ንምድሓን ኣብ ዝተቓለሰትሉ ድማ በቲ ሒዝዎ ዝነበረ ካራ ኣብ ኣእዳዋ ጉድኣት ኣብጺሑላ፡፡ ድሕሪኡ ነቲ ዝሓዞ ካራ ኣሕዲጋ ወጊኣቶ ሃዲማ፡፡ ሬሳ ናይቲ ሽሙ ዘይተገለጸ ውልቀ ሰብ ብ 17 ግንቦት ኣብ ከተማ ጊዛ እዩ ተረኺቡ፡፡ እቲ ዜና ብፍላይ ኣብ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ግብጺ: ኣዘራራቢ ኮይኑ ዝቐነየ ኮይኑ፡ ፍሉጣት ጠበቓታትን ጉጅለታትን ነታ መንእሰይ ሓገዝ ክገብሩላ ጎስጓስ ክገብሩ ቀንዮም፡፡ ኣብ ግብጺ ጾታዊ ትንኮያን መጥቃዕትን ልሙዳት ምዃኖም መጽናዕቲታት ዘመላኽቱ ኮይኖም፡ ኣብ 2013 ብሕቡራት ሃገራት ተሓጊዙ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ 99.3 ምኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ እታ ሃገር ኣብ ህይወተን ዝኾነ ዓይነት ጾታዊ መጥቃዕቲ ከምዘጋጥመን ምግላጸን ሓቢሩ፡፡ ሰበስልጣን እታ ሃገር ግን ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ዝፍጽሙ ሰብኡት እኹል ምርመራ ብዘይምክያድን ግቡእ መቕጻዕቲ ብዘይ ምሃብን ይኽሰሱ፡፡","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61616473"} {"headline":"ሰለስተ ማናቱ፣ ኣዲኦምን ዓባዮምን ዝወስደ ዝስካሕኽሕ ባርዕ ቤተክርስቲያን ግብጺ","content":"ዝሓለፈ ሰንበት፡ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ቅብጢ (ኮፕቲክ) ክርስትያን ብሰንኪ ዘጋጠመ ባርዕ፡ 41 ሰባት ከም ዝሞቱን፡ ካብኣቶም ብውሕዱ እቶም 15 ህጻናት ከም ዝዀኑን ተገሊጹ። እታ ኣብ ጊዛ፡ ብብዝሒ ኣባላት ደርቢ-ሸቃሎ ኣብ ዝነብርዎ ዞባ ዕምባባ እትርከብ ቤተክርስትያን ኣቡ ሰፈይን፡ ህጻናትን ወለድን ዝርከብዎም ንቕዳሴ ሰንበት ብዝተኣከቡ ምእመናን መሊኣ ነይራ። መብዛሕትኦም እቶም ህጻናት ኣብ ቀዳማይ ደርቢ ናይቲ ኣርባዕተ ዝደርቡ ህንጻ ቤተክርስትያን፡ ኣብ ትምህርቲ ሰንበት ወይ መዋእለ ህጻናት ይሳተፉ ነይሮም። ኣባላት ምርመራ ‘ቲ ሓደጋ ድማ ብምትንኻፍ ገመዳት ኤሌክትሪክ ዝተላዕለ ባርዕ፡ ካብቲ እቶም ህጻናት ዝነበርዎ ደርቢ ከም ዘነቐለ ይኣምኑ። ሚኒስትሪ ጥዕና ግብጺ ከም ዝሓበሮ፡ መብዛሕትኦም እቶም ግዳያት ብሰንኪ’ቲ ብዒግታ ትኪ ዝተፈጥረ ምዕፋን እስትንፋስ ምዃኑ፤ ገሊኦም ከኣ ብዝተዓጽወ መውጽኢታት ኣቢሎም ካብቲ ሓደጋ ንኽሃድሙ ምስ ተጓየዩ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ዕግርግርን ጽቕጥቅጥን እዮም ሞይቶም። ብመገዲ ቤተሰብ ግዳያት፡ ኣነባበርቲ’ቲ ቤተክርስትያንን፡ ሓደ ሆስፒታል እቲ ከባቢን ማዕከናት ዜና ግብጽን ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ካብቶም ግዳያት ዝዀኑ ህጻናት፡ ደቂ ሓሙሽተ ዓመት ስሉሳት [ሰለስተ ማንታ] ቈልዑ ሞህራኤል፡ ዩሱፍን ፊሎፓቶር ዝተባህሉ ኣሕዋት ይርከብዎም። እዞም ህጻናት፡ ምስ ጓል 34 ዓመት ኣደኦም ኢሪና ዓጥፍ ራምዚ፡ ጓል 61 ዓመት ዓባዮም ማግዳ ሓቢብ ናቢህን ጓል 25 ዓመት ሓትኖኦም ሚርና ዓጥፍ ራምዚን እዮም ሞይቶም። ሚረትያ ዕማድ ዝተባህለት ድምጻዊት ጓል ኣኮኣ ንኣደኦም ኣብ ገጽ ፈይስቡክ ብዝለጠፈቶ ጽሑፍ፡ ዝተሰምዓ ሓዘና ገሊጻ። \"ምስ ክርስቶስ ኣዝዩ ዝሓሸ እዩ፤ ኣብ ቅድሚ ዝፋን ጸጋኻ ዘክረና\" ክትብል ጽሒፋ። \"ኣብ ሰማይ ሽዱሽተ ቅዱሳን ኣለዉኒ።\" በቲ ዘሕዝን ፍጻመ ሰለስተ ቈልዑ ዝሰኣኑ ስድራቤት ሚረትያ ዕማድ ጥራይ ኣይኰኑን። 5 ዓመት ዝዕድመአን ማናቱ ኣሓት ማርያምን ባርሲና ታሚር ዋጅህን ከምኡ’ውን ወዲ ሰለስተ ዓመት ኢብራሂም ዝተባህለ ሓወንን’ውን ብሰንኪ’ቲ ባርዕ ካብ መንጐ ዝሞቱ ቈልዑ ምዃኖም፡ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዕምባባ ዘውጽኦ ዝርዝር ግዳያት የመልክት። ሰንበት ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዝተወስደ ኣሳእል ከም ዘመልክቶ፡ ኣደ’ዞም ቈልዑ፡ ኣብ ጐድኒ ሳንዱቕ ሬሳኦም ኰይና ሰለስተ ኣጻብዕታ ብምምልካትን ሓዘና ክትገልጽ እንከላ የርኢ። ብተወሳኺ ካሮሎስ ኣርያን -10 ዓመት፣ ሚና ዓዝሚ 13፣ ሚና ፋቒር - 16 ዓመት ዝብል ኣስማት ግዳያት ኣብ ሓበሬታ ‘ቲ ሆስፒታል ተመልኪቱ ይርአ። መርበብ ሓበሬታ ‘ኮፕቲክ ዩናይትድ’ ከም ዝመልክቶ ኣደ ካሮሎስ እውን ምስኡ ክትመውት እንከላ፡ ሓው ራሚ ግን ብህይወት ተሪፉ’ሎ። ራሚ ትማሊ ሰንበት ኣብ ሆስፒታል ኰይኑ ብዛዕባ’ቲ ፍጻመ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቓል፡ ሰለስቲኦም ብሓባር ናብቲ ቅዳሴ ከም ዝኸዱን እቲ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ከም ዝተፈላለዩን ብምግላጽ፡ ብድሕሪኡ  እንታይ ከም ዝሰዓበ ከም ዘይፈልጥ ገሊጹ። ራሚ፡ ድሕሪ እቲ ቃለ መጠይቕ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ስድራኡ ዘጋነፈ ዕጫ ብደቂ ሓወቦኡ ከምዝተነግሮ ተፈሊጡ ማዕከናት ዜና ‘ታ ሃገር፡ ሓንቲ እስናድ ዝተባህለት ኣደ'ውን፡ በቲ ባርዕ ክልተ ደቃ ከምዝሰኣነትን ሓደ ካብኦም ሚና ዝበሃል ምዃኑን፡ ዝገልጽ ብህሎ ‘ታ ኣደ ዘርጊሐን ኣለዋ። እስናድ፡ \"ናብ መንግስተ ሰማይ ዝወሰድክዎም ኣነ እየ\" ብምባል፡ ብንግሆኡ ናብቲ ቅዳሴ ክኸዱ ከምዘበራበረቶም ትገልጽ። \"ሚና ረቡዕ እየ ዝኸይድ ኢሉኒ፣ ኣነ ግን ኣይፋልን ሎሚ ኢኻ ትኸይድ ኢለዮ፡” ብምባል ነቲ ቅድሚ’ቲ ፍጻመ ዝነበረ ህሞት ትዛረብ። ዓብዱልመሲሕ በኺት ዝተባህሉ ወዲ 50 ዓመት ጳጳስ እቲ ቤተክርስትያን ሓደ ካብቶም ግዳያት ምዃኖም  ሓበሬታ ‘ቲ ሆስፒታል የመልክት። ኣብ ስነስርዓት ቀብሮም፡ በዓልቲ ቤቶም ዝተቓጸለ ዝመስል ልብሲ-ክህነቶም ጨቢጣ ትርአ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1ypvvv674o"} {"headline":"መሓመድ ሳላሕ፡ ንምንታይ ሓድሽ ውዕል ሊቨርፑል ካብ ኩዕሶ እግሪ ሓሊፉ የዛርብ ኣሎ?","content":"ንዝኾነ ደጋፊ ሊቨርፑል ብዛዕባ ሓድሽ ውዕል መሓመድ ሳላሕ ንተወሳኺ ሰለስተ ዓመት እንታይ ከም ዝሓስብ ሕተትዎ እሞ ዝተሓዋወሰ እፎይታን ሓጎስን ክትረኽቡ ኢኹም። ኣብ 2017 ካብ ኢጣልያዊት ክለብ ኤኤስ ሮማ ካብ ዝግዕዝ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት፡ ኣብ ፕረምየር ሊግ ዝበዝሐ ሸቶታት ዘመዝገበ \"ንጉስ ግብጺ\" ኮይኑ። እዚ ቅድሚ ነታ ክለብ ሻምፕዮን ኤውሮጳን እንግሊዝን ክትከውን ምሕጋዙ'ዩ። ንሱ ግን፡ ካብ ሜዳ ወጻኢ ብዘርእዮ ባህርያትን ኣካይዳኡን ክንድኡ - እንተዘይኮይኑ ካብኡ ንላዕሊ - ናእዳታት ተዓዊቱ'ሎ፡ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ኤሊት ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ዘሎ ኣረኣእያ ንምቕያርን ባህላዊ ዶባት ንምስባርን ሓጊዙ'ዩ። ሕዚ ሕዚ፡ ኮኾባት ስፖርት፡ ማሕበራዊ ጠንቅታት ከጉልሑ ምርኣይ ዝተለመዱ እንትኾን፡ ‘ሞ ሳላሕ ናብ መርሲሳይድ ምምጽኡ ግን ምስሊ ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ብኣብነታት ሕማቕ ባህርያት ኣብ ዝተበከለሉ እዋን'ዩ። ንሱ ዝገብሮ ናይ ግብረ ሰናይ ኣበርክቶ - ኣብ ትምህርቲ፡ ክንክን ጥዕናን ፕሮጀክትታት መሰላት እንስሳታትን - ናእዳ ረኺቡ፡ ሓደ ሓላፊ ርክባት ኩዕሶ እግሪ ነበር \"ሱሩ ረሲዑ ኣይፈልጥን\" ክብል ርእይቶ ክህብ ደሪኽዎ። ኣብ ብዙሕ ቦታታት፡ ድሕሪ ሸቶታት መመዝጋቡ ብጸሎት ናይ ምስጋድ ልሙድ ተግባሩ’ዩ ነይሩ። ኣብ 2015፡ ክልተ ደገፍቲ ሊቨርፑል ነቲ - ኣጋጣሚ ብዓረብኛ \"ሳላሕ\" ተባሂሉ ዝፍለጥ - ኣብ ኣንፊልድ ስርዓት እስላማዊ ሰላት ዝፍጽሙ ዝነበሩ፡ ብሓደ ተጠቃሚ ትዊተር \"ነውራም\" ተባሂሉ ተገሊጹ፡ ብሰንኪ'ዚ ርእይቶኡ ሰፊሕ ነቐፌታ በጺሕዎ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣንግልያ ራስኪን ግብጻዊ-ብሪጣንያዊት መምህር ዓለምለኸ ፖለቲካ፡ ዶክተር ሶላቫ ኢብራሂም፡ እቲ ሽዑ ብዛዕባ እስላም ዝነበረ \"ዓብላሊ ኣተሓሳስባ\"፡ \"ዓመጽቲ ወይ ብቐጻሊ ምስ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝተኣሳሰር\" ከምዝነበረ ትገልጾ። ስለዚ ከም መጠን ናይ ነዊሕ እዋን ደጋፊት ሊቨርፑል፡ ደገፍቲ ሳላሕ: ንሱ \"ህያብ ኣላህ\" ምዃኑን \"ካልኦት ሸቶታት እንተ ኣመዝጊቡ ኣነ'ውን ኣስላማይ ክኸውን እየ\" ኢሎም ክደርፉ ምስ ጀመሩ ዓቢ ህሞት ከም ዝነበረ ትዛረብ። \"ተቐባልነት ጥራይ ዘይኮነስ ከም መርኣያ ተገይሩ እዩ ዝውሰድ ነይሩ -  ንዓረብ፡ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ጥራይ ዘይኮነስ ንመንእሰያት ዓባይ ብሪጣንያ'ውን\" ትውስኽ። ኣብ ትካል ‘ማእከል ዓረብ ሊቨርፑል’ ከም ኣተሓባባሪ ኮይኑ ዝሰርሕ ናጂብ ኣል-ሓኪሚ፡ \"ሰባት ንኣስላም ከም ደንቆሮን ኣሸበርትን ጌሮም ይጥምትዎም ስለ ዝነበሩ በታ መዝሙር ተሓጒሱ\" ኢሉ። \"ሳላሕ ብተግባራቱ፡ ነዚ ክቕይሮ ክኢሉ\" ክበል ወሲኹ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝያዳ ኣባላት ማሕበረሰብ ዓረብ’ቲ ከባቢ፡ ናብ ኣንፊልድ ከምዝውሕዙ ኣስተብሂሉ። \"መብዛሕትኦም መንእሰያት ማልይኡ ተኸዲኖም እዮም ይመጽኡ፡ ብዛዕባኡ ድማ ጽቡቕ ክዛረቡ ይውዕሉ\" ክብል ወሲኹ ገሊጹ። ማእከል ዓረብ ሊቨርፑል’ውን በቲ \"ንጉስ ግብጺ\" ከም ዝሕበን ገሊጹ። ንዘ ኣንፊልድ ራፕ ዝጽሕፍ ደጋፊ ሊቨርፑል ኒል ኣትኪንሰን'ውን ኣብ መላእ መርሲሳይድ \"ብርግጽ ናይ ምዝንባል ባእታ ከምዝነበረ\" ኣስተብሂሉ'ሎ። \"ሰባት እምነት ኣስላም ካልእ ኮይኑ እንተተሰሚዕዎም፡ ተግባራት ሳላሕ ትርጉም ዘለዎ'ዩ\" ይብል። \"ኣብ ሜዳ ምስ ጸለየ፡ ምስ ተዓዘብቲ ንኽጽንብል ምግልባጡ ኣዝየ እየ ዝፈትወሉ፡ ንባዕሉ'ውን የብዕል ኣሎ፡ እዚ ድማ ጽቡቕ ነገር'ዩ።\" ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል የርገን ክሎፕ ኣቐዲሙ፡ እታ ጋንታ ሳላሕ ከም ኣካል ምድላዋት ጸወታ ሃይማኖታዊ ስርዓታት ንኽፍጽም ግዜ ብኸመይ ከምዘመዓረራረየ ተዛሪቡ ነይሩ። ሓለቓ ጋንታ ክለብ ጆርዳን ሄንደርሰን'ውን፡ እታ ጋንታ ኣብ ምቕራብ ዋንጫታት ኣልኮላዊ መስተ ዘይብሉ ሻምፓኝ ከም እትመርጽ ብምግላጽ፡ \"ኣብ ውሽጢ መቐየሪ ክፍልታት ከምኡ ዝበሃል [ዘይፀዋርነት] የለን፤ ስለዚ ኣብ ደገ ዓለም ንምንታይ እዩ ከምኡ ዘይኸውን?\" ሚስተር ኣትኪንሰን፡ እታ ሰፊሕ ከተማ ሊቨርፑል \"ወደብ ስለዝኾነት ንነብሳ ካብ ዝተረፈት ዓዲ እንግሊዝ ኣዝያ ዝተፈልየት ገይራ እያ ትርኢ... ዝያዳ ንደገ ክትጥምት ትደሊ\" ዝብል እምነት ኣለዎ። ሳላሕ ኣብ ከባቢ ሊቨርፑልን ኣብ ዙርያኡን ምስ ተራእየ ናይ ጅግና ኣቀባብላ'ውን ይግበረሉ። ሓደ መንእሰይ ወዲ፡ ኣብ 2019 ንመኪና ሳላሕ እናሃደነ ምስ ዓንዲ ላምባ ተጋጭዩ ጉድኣት በጺሕዎ ነይሩ። ሉዊስ ፋውለር፡ ኣፍንጭኡ ተበቲኹ'ኳ እንተነበረ፡ ሳላሕ ተመሊሱ ኩነታቱ ዝመርመሮ ዀይኑ፡ ተሓኪሙ ጸኒሕዎ። ዶክተር ኢብራሂም፡ እቲ ኣጋጣሚ፡  \"ሰብኣዊ ምቅርራብን ተበጻሕን\" ሳላሕ ዘርኢ'ዩ ትብል። \"ካብ ብዙሓት ተዓወትቲ ሽልማት ኖቤል ኣዝዩ ዝያዳ ፍሉጥ'ዩ ግን ኣብ መንጎ ኤሊት ከም ሓደ ኣይረአን። እዚ ምኽንያት ናይቲ መልእኽትታቱ ብቐሊሉ ናብ ህዝቢ ዝመሓላለፈሉ'ዩ ዝመስለኒ\" ትብል። ሳላሕ ኣቐዲሙ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ \"ካብቲ ሕዚ [ሕብረተሰብ] ዝህበን ዋጋ ንላዕሊ ዝግብአን\" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ፡ ካብኡ ንደሓር ድማ ምስ ቦኽሪ ጓሉ ማካ ኣብ ናይ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምልላይ ቪድዮ ተራእዩ'ዩ፡ ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ንበዓልቲ ቤቱ ማጊ ንዕኡ ወኪላ ሽልማት ‘ወርቃዊ ኩዕሶ እግሪ’ ክትቅበል ሓቲቱዋ ነይሩ። ዶክተር ኢብራሂም፡ \"እቲ መልእኽቲ ክትሪኦ ኣለካ\" ትብል። \"ዘረባን ተግባርን ጥራይ ኣይኮነን - እቲ ሓይሊ ድማ ንሱ'ዩ። ረቂቕን ሓቀኛን'ዩ።\" ኣብ ሓደ ካብቶም ብዙሓት ኣካዳሚያዊ መጽናዕትታት ናይቲ ሕጂ \"ውጽኢት ሰላሕ \" ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ብርክት ዝበሉ ብሪጣንያውያን \"ብዛዕባ እስልምና ብዝተፈለየ መንገዲ ንኽሓስቡ\" ብኸመይ ከም ጽልዋ ከምዘሕደረሎም ሓሳባቶም ኣካፊሎም። ንዩኒቨርሲቲ ኤዲንበርግ ፡ ተሓባባሪ ናይቲ መጽናዕቲ ዝጸሓፉ ፕሮፌሰር ግራንት ጃርቪ፡ \"ብዛዕባ ጽልዋ መሓመድ ሳላሕ ኣገሪሙና። ኣብ ከምዚ ዓይነት መጽናዕትታት፡ ከም ንቡር ሕውስዋስ ነቐፌታን ጽቡቕ ነገራትን ትረክብ። ብሓፈሻ ግን ሰባት ኣብ ሜዳን ወጻእን ብዛዕባ ሳላሕ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኣለዎም\" ኢሉ። እቲ ኣጥቃዓይ \"ሓይሊ ረቂቕ ዓቕሚ\" ከምዘርኢ ይዛረብ፡ \"ስፖርት ንባህላዊ ዝምድናታት ጽቡቕ ተኽእሎ ክኸውን ከም ዝኽእል'ዩ\" ይብል። እቲ ተጻዋታይ ኣብ ምንካይ ‘ጽልኢት  እስላም’ - ብፍላይ ኣብታ ጥንታዊ መስጊድ ብሪጣንያ ዘለዋ ከተማ- ዘሕደሮ ጽልዋ፡ ብከንቲባ ከተማ ሊቨርፑል ስቲቭ ሮተራም \"ዘደንቕ\" ክብል ክግለጽ እንከሎ፡ መጽሔት ታይም ድማ ንሳላሕ ኣብ 2019 ካብቶም 100 ጸለውቲ ሰባት ዓለም ኣስሚራቶ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/czdgvvqq2n7o"} {"headline":"ፕረዚደንት ባይደንን ኣል ሲሲን ብዛዕባ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ከምዝተዘራረቡ ተገሊፁ","content":"ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደንን ግብጻዊ መዘንኡ ዓብዱልፈታሕ ኣል ሲሲን ትማሊ ቀዳም 9 ሓምለ 2014 ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተራኺቦም፡ ብዛዕባ ዓብዪ ግድብ ህዳሴን ካልኦት ጉዳያትን ከምዝዘተዩ ተሓቢሩ። ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ዑደት ዝገብር ዘሎ ፕረዚደንት ኣመሪካ ባይደን፡ ጎኒ ንጎድኒ ምስቲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ሃገራት ዓረብ እዩ ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ኣልሲሲ ተዘራሪቡ። ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዋይት ሃውስን ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ግብፂን ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዝተገበረ ዘተ ኣመልኪቶም ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ፣ እቶም መራሕቲ ኣብ ሓባራዊ ጉዳያት ሃገራቶም ከምዝዘተዩ ኣፍሊጦም። ባይደንን ኣልሲሲሰን ካብ ሞንጎ ዝተዘተየሎም ጉዳያት ሓደ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ትሃንፆ ዘላ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ከምዝነበረ ተገሊፁ። ፕረዚደንት ኣል ሲሲ፡ ምምላእ ማይ እቲ ግድብን ቀጻሊ ስራሕትን ንውሕስነት ማይ ግብጺ ብዘኽብር መልክዑ ኣብ \"ቀያዲ ሕጋዊ ስምምዕ ንኽብፃሕ” ሃገሩ ዘለዋ ጽኑዕ መርገጺ ንባይደን ከምዝገለጸሉ ቤት ጽሕፈቱ ኣመልኪቱ። ፕረዚደንት ባይደን ብወገኑ ኣሜሪካ ንውሕስነት ማይ ግብፂ ከም እትድግፍ ብምሕባር፡ ንሰላምን ምዕባለን እቲ ዞባ ኣበርክቶ ኣብ ዝገብርን ንረብሓ ኩሎም ውድባት ኣብ ዘኽብርን ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ክበፅሑ ድልየቱ ከምዝኾነ ተዛሪቡ። ብተወሳኺ ክልቲኦም መራሕቲ ብመሰረት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መስከረም \"ኣብ መግለጺ ፕረዚደንት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝተነፀረን ንዓለምለኻዊ ሕጊ መሰረት ብምግባርን\" ኣብ ጉዳይ ምምላእ ማይን ቀፃሊ ስራሕቲን ብቕልጡፍ ኣብ ስምምዕ ምብፃሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ከምዝተዘራረቡ ካብ ዋይት ሃውስ ዝወፅአ ሓበሬታ የረድእ። ኣሜሪካ ንፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ሓዊሱ ብላዕለዎት ሰበስልጣናታ ኣቢላ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ግብፂን ሱዳንን ንዘሎ ዘይምርድዳእ ክትሽምግል ፃዕርታት ክትገብር ከምዝፀንሐት ይዝከር። ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ዋሽንግተን ተጀሚሩ ዝነበረ ድርድር ክተቋርፅ ዝወሰነትሉ ምኽንያት፡ ብመሰረት ድልየት ግብፂ ተዓዘብቲ ክኾኑ ናብቲ ጉዳይ ዝኣተዉ ኣሜሪካን ባንኪ ዓለምን ንግብፂ ካብ ምውጋን ብዝሰገረ ኣብ ልዕሊ ተደራዳሪ ጉጅለ ኢትዮጵያ ፀቕጢ ክገብሩ ፈቲኖም ክትብል ምኽሳሳ ይዝከር። ዋላ’ኳ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ቀያዲ ስምምዕ ከይተበጽሐ ነቲ ግድብ ማይ ናይ ምምላእ ስራሕቲ ከይካየድ ክቃወማ እንተፀንሐ፡ ኢትዮጵያ ግን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብኽልተ ዙርያ ነቲ ግድብ ብምምላእ፡ ኣብዚ ዓመት’ውን ሳልሳይ ዙርያ ክትመልእ ምዃና ኣፍሊጣ’ላ። ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምፍራይ ትሃንፆ ዘላ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ካብ ዘለውዎ 13 ተርባይናት እቲ ሓደ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከመንጩ ከምዝጀመረ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ምግባራ ይፍለጥ። እቲ ግድብ ሙሉእ ብሙሉእ ህንፀቱ ምስተዛዘመ ድማ ልዕሊ 5 ሽሕ ሜጋዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ኣለዎ። ናይ ማእኸላይ ምብራቕ መገሽኡ ብእስራኤል ጀሚሩ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝቐፀለ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ኣብ ጅዳ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን፡ ብዘይካ’ቲ ንጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዝምልከት ዝርርብ፡ ኣብ እዋናዊ ዞባውን ዓለምለኻውን ጉዳያት ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝፍጸሙ ናይ ምትሕብባር ስራሕቲ ዘትዮም’ዮም። ፕረዚደንት ጆ ባይደን ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ግብጺ ዝረአ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝምድናኦም ዝሒሉ ምንባሩ ይዝከር።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c7268eqepj5o"} {"headline":"ነበርቲ ሓጢኣት'ዩ ዝበልዎ ፕሮጀክት ነዳዲ","content":"ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ቦትስዋና፡ ሓደ ኣብ ዓለምና ዝዓበየ ደሴት ደልታ ኣሎ። እዚ፡ ብመልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጣኡ ኣዝዩ ዝተፈለየ ብምዃኑ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብጽባቐኡ \"ፍሉይ\"ን \"ሳሕቲ” ዝርከብን ብምባል፡ ኣብ መዝገብ ውርሻታት ዓለም ዓቂቡዎ'ዩ። ደልታ ኦካቫንጎ ኣብ ማእከል በረኻ ካልሃሪ እዩ ዝርከብ። ኣብዚ ዝርከቡ መስመራት ማይን ውሕጅ ዝበዝሖ ቆላታትን፡ ገለ ካብቶም ኣብ ዓለም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ከም ጸለምቲ ሓሪሽ ዝበሉ ዓበይቲ መጥበውቲ እንስሳታት ዝነብሩሉ ቦታ እዩ። ኣብዚ ዝርከቡ ኣትክልቲ፡ ኣዕዋፍ፡ ዓሳታትን ካልኦት እንስሳትን'ውን ብሉጽ ስነ-ህይወት ዝፈጥሩ’ዮም። እዚ ቦታ፡ ውርሻ ዓለም ተባሂሉ ስለ ዝተሰየመ ኸኣ፡ ኣዝዩ ብሉጽ ይገብሮ። ይዅን’ምበር፡ ብሰንኪ ነዳዲ ከርሰ ምድሪ እዚ ሳሕቲ ዝርከብ መልክዓ ምድሪ ሓደጋ ኣንጸላልዩዎ ኣሎ። ሪኮናሳንስ ኢነርጂ ኣፍሪቃ (ሪኮንኣፍሪካ) ዝተባህለ ካናዳዊ ኩባንያ፡ ኣብ ሰሜን ቦትስዋናን ጐረቤት ሃገር ናሚብያን ኣብ ትሕቲ መሬት ብዙሕ ሃብቲ ነዳድን ጋዝን ክህሉ ከም ዝኽእል ይኣምን። ነዚ ድማ፡ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት 34,325 ትርብዒት ኪ.ሜ መሬት ዝሽፍን ፍቓድ ኣለሻ ነዳዲ ተዋሂቡዎ ኣሎ። ኣብ ናሚብያ ድሮ ሰለስተ ዒላታት ፈተነ ተዃዒተን ኣለዋ። \"እቲ ፕሮጀክት ሓጢኣት እዩ፤ ቀሊል ከኣ ኣይኰነን” ይብል ኣብ ቀረባ እዋን ጡረታ ዝወጽአ ካህን ኣንግሊካን ናሚብያ ሉክ ፓቶ። ፖለቲከኛታት፡ መጠን ልቀት ካርቦን ብኸመይ ከም እንንክዮ ንምዝርራብ ኣብ ግብጺ እዮም ዝርከቡ። ወለዶታት ናይቶም ቀዳሞት ነበርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝዀኑ ድማ፡ ብዛዕባ እዚ ፕሮጀክት ኣለሻ ነዳድን ጋዝን ዘለዎም ስክፍታታት የልዕሉ ኣለዉ። መራሕቲ ሃይማኖት እውን እንተዀኑ ተዛሪቦም እዮም፤ እቲ ፕሮጀክት ሓጢኣት እዩ ኢሎም። ስለ ዝዀነ፡ ልኡኻት ኮፕ 27 ንጥፈታት ኩባንያታት ነዳዲ ከርሰ ምድሪ [fossil fuel ]ክንክዩ ጻውዒት ኣቕሪቦም። ሉክ ፓቶ ኣብተን ናይ መወዳእታ ኣዋርሕ ኣገልግሎቱ፡ ምስ ካልኦት መራሕቲ ሃይማኖት ብምዃን ኣንጻር እቲ ፕሮጀክት ጐስጓስ የካይድ ነይሩ። ሕጂ ኣብ ጆሃንስበርግ እዩ ዝነብር። \"የሱስ ሰባት፡ ‘ህይወት ምእንቲ ክረኽቡን ብብዝሒ ንክረኽብዋን እየ መጺአ’ ይብል። ንሱ፡ ፈጺሙ ኣብ ጐኒ ንህይወት ከጥፍእ ዓቕሚ ዘለዎ ነገር፣ ሰባት ዝነብሩሉ ከባቢ ከጥፍእ ዝኽእል ነገር ደው ኣይምበለን” ብምባል ምኽንያት እቲ ተቓውምኦም የረድእ። ስለ ዝዀነ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ \"ኩዕታ ደው ክብል፤ እቲ ኩባንያ ድማ ማሽናቱ ኣልዒሉ ክኸይድ ደስ ይብለኒ።\" ካህን ፓቶ፡ እቲ ኣብ ናሚብያ ዝካየድ ዘሎ ኵዕታ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ ሩባ ኦካቫንጎ ዝራኸብ ትሕቲ መሬት ዝርከብ ዕቋር ማይ ጽልዋ ከየሕድር ዓቢይ ሻቕሎት ኣለዎ። እቲ ሩባ ብሰሜን ናይቲ ኵዕታ ዝካየደሉ ዘሎ ዶብ ናሚብያ ዝርከብ ቦታታት ዝሓልፍ ኰይኑ፡ ማይ ናብቲ ኣብ ጐረቤት ሃገር ቦትስዋና ዝርከብ ደልታ ይወስድ። ሪኮናኣፍሪካ ዝጀመሮ ኣለሻ ነዳዲ ሓደጋ ብከላ ከም ዘየስዕብ ይገልጽ። ሓላፊት ኮሙዩኒኬሽን ሪኮንኣፍሪካ ምዋንየንግዋ ሻፕዋናለ፡ እቲ ኩባንያ ምስ መንግስቲ ናሚብያ ብምትሕብባር \"ከባቢ ብፍላይ ድማ ማይ ካብ ብከላ ንምክልኻል ጥራይ ዘይኰነ፡ ልዕሊኡ ንምርግጋጽ ዝያዳ ንምስራሕ ተሰማሚዕና ኢና” ትብል። ካህን ፓቶ ግን ካልእ ስክፍታ እውን ኣለዎ። እቲ ብካናዳ ዝውነን ኩባንያ ኣብ ኣፍሪቃ ዘካይዶም ዘለው ኣለሻታት ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ኣፍሪቃ፡ ምስ \"ሓድሽ ማዕበል ባዕዳዊ መግዛእቲ'' ዝዳረግ እዩ ክብል ይገልጽ። እቶም ኣብ ግብጺ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኮፕ 27 ዝተረኸቡ ልኡኻት ድማ፡ \"ካብ ሃገሮም ወጻኢ ንዝዅዕቱ ዘለዉ ኩባንያታት፡ ጠጠው ንከብሉ ዘኽእል እማመ ከውጽኡ” ይጠልብ። መንግስቲ ናሚብያ ግን፡ ነዚ ነቐፌታ ይነጽጐ። መንግስቲ፡ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ እታ ሃገር ንረብሓ ህዝቢ ናይ ምምዕባል ሓላፍነት ከም ዘለዎ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ገሊጹ። \"ሓላፍነትካ ምሕዳግ ሸለልትነት ክኸውን'ዩ፤ ስለዚ ከም ልኡላዊት ዲሞክራስያዊት ሃገር፡ ናሚብያ ብዘላቒ መገዲ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታታ ክትድህስስን ከተማዕብልን እያ\" ኢሉ። ናሚብያ፡ \"ምስ ናይተን ምዕቡላት ሃገራት ክነጻጸር እንከሎ ንልቀት ግሪን ሃውስ ጋዝ [ልቀት በከልቲ ጋዛት] ዘለዋ ኣበርክቶ ንእሽቶ እዩ” ኣይኰነን። ብሓፈሻ፡ ልቀት ግሪን ሃውስ ጋዝ ኣፍሪቃ ትሕቲ 4 ሚእታዊት እዩ። ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ነዳዲ ክምዝምዛ ኣለወን'ዶ የብለንን ዝብል ሕቶ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ኣኼባ ኮፕ ዓቢይ ክትዕ ዘልዓለ ጉዳይ ኰይኑ እዩ። ገሊአን፡ ቍጠባአን ንምዕባይን ድኽነት ጸዓት ንምውጋድን፡ ዕቝር ነዳድን ጋዝን ንምምዝማዝ ነጻ ክዀና ኣለወን ይብሉ። ካህን ፓቶ ግን ነዚ ኣይኣምነሉን። “ካልኦት ኣማራጺታት ጸዓት እንከለው፡ ስለ ምንታይ ናብ ነዳዲ ከርሰ ምድሪ ንምለስ?” ኢሉ ይሓትት። ኣብ ቦትስዋና እቶም ስክፍታታት ብወለዶ ናይቶም ቀዳሞት ነበርቲ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ይለዓል ኣሎ። እዚኦም፡ ሳን ተባሂሎም ይጽውዑ። ንሓደ ሚእቲ ዓመት ሕብረተሰብ ሳን [ሕጂ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ተባሂሉ ዝጽዋዕ] ብሃድን ዝናበሩ ዝነበሩ እዮም። ሕጂ ኣብ ቦትስዋና፡ ናሚብያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ዛምብያን ዝነብሩ ኣስታት 90 ሽሕ ዓሌት ከም ዘለዉ ይግመት። ምስ ተፈጥሮ ተሰማሚዕካ ምንባር፡ ቀንዲ ባህሎምን ስርዓተ እምነቶምን እዩ። መንፈሳውነት ሳን፡ ምስ መሬት፡ ኣትክልትን እንስሳን ዘለዎም ርክብ ዝተኣሳሰር እዩ። \"እዚ ፕሮጀክት ክውን ክኸውን ኣይንደልን ኢና\" ትብል ተሓላቒት ሳን ዲፌቶጎ ኣኒታ ሊክጎዋ። ንሳ፡ ኣብቲ ኣብ ግብጺ ዝካየድ ዘሎ ኮፕ 27 ተጣባቒት መሰላት ደቀባት ኰይና ትሳተፍ ኣላ። \"ከባቢናን ሓለዋ ተፈጥሮኣዊ ሃብትናን የገድሰና እዩ። ምኽንያቱ [ምዅዓት ምስ ተጀመረ] ለውጢ ክህሉ’ዩ። እንስሳታት ክስደዱ እዮም፣ ደቀባት ኣትክልቲታትና ከይንስእኖም ድማ ንፈርሕ።\" መንግስቲ ቦትስዋና፡ ኣብዚ ጉዳይ መልሲ ክህብ ብተደጋጋሚ ዝቐረበሉ ሕቶ እኳ እንተነጸጐ፡ ሚኒስተር ሃብቲ ማዕድን ለፎኮ ሞኣጊ ግን ኣቐዲሙ፡ \"ንሪኮንኣፍሪካ ዝተዋህበ ፍቓድ ብዝተኻእለ መጠን ነቲ ተፈጥሮኣዊ ከባቢ ክዕቅቦ [ከምኡ'ውን] . . . ኣብ ተፈጥሮኣውን . . . ስነህይወታዊ ጸጋታት ክበጽሕ ዝኽእል ሳዕቤን ክንኪ\" ከም ዘለዎ ዘጠቓልል እዩ ኢሉ ነይሩ። መንግስቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ቦትስዋና ዝዀነ ይዅን ኵዕታ ከም ዘይተሓሰበ ብምግላጽ፡ እቲ እለሻ ነዳዲ ወራሪ ብዘይኰነ መገዲ እዩ ክካየድ ይብል። ዲፌቶጎ ኣኒታ ለክጎዋ ግን ህላወ ነዳዲ ወይ ጋዝ እንተተረጋጊጹ ኣብ መወዳእታ ኵዕታ ከይካየድ ስግኣት ኣለዋ። ልክዕ ከም ካህን ፓቶ ድማ፡ እዚ ከምጽኦ ዝኽእል ለውጢ የጨንቓ። ንሳ ካብ ህዝቢ ሩባ ሳን እያ። እዞም ህዝቢ፡ እቲ ንደልታ ኦካቫንጎ ዝምግብ ሩባ ፈጺሙ ስለ ዘይደርቕ ብኣማልኽቲ ከም ዝተዋህቦም ይኣምኑ። ኣብ ወሰን ደልታ ኣብ እትርከብ ቁሸት ክዋይ ዝዓበየት ኣኒታ፡ ዓበይቲ ዓዲ ነቲ ሩባ ዝነበሮም ኣኽብሮት ዳርጋ ምስ ህይወቶም ከም ዝተሰፍየ ዓለባ'ዩ ትብል። \"ወለድና፡ ንክለሃዩ፡ ምስ ኣማልኽቶም ንኽራኸቡ፡ ንኸመስግኑ ናብቲ ሩባ ይኸዱ ነይሮም። ባህሊ፡ ኣነባብራን መንፈስናን ምስቲ ሩባ ዝተኣሳሰረ'ዩ።\" እቲ ሩባን ደልታን እንተተጐዲኦም፡ \"ስምዒት ሰባት ክጕዳእ'ዩ\" ትብል ኣኒታ። \"ካልኦት እቶት ከምጽኡ ዝኽእሉ ነገራት እናሃለዉ፡ ስለ ምንታይ'ዩ መንግስትና ኣብ ነዳዲ ተገዲሱ?\" ኣብ ካልእ ሸነኽ እቲ ደልታ - ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ቦትስዋና - ካልእ ቅርሲ ዓለም ኣሎ። እዚ፡ ንህዝቢ ሳን ኣዝዮም ቅዱሳት ዝዀኑ ተኸታተልቲ ዓበይቲ ኣኻውሕ ዘለውዎ ኰይኑ፡ \"ኣኽራናት ኣማልኽቲ\" ተባሂሎም ይፍለጡ። ጐቦታት ጾዲሎ፡ ሳን መናፍስቲ ኣቦታቶም ዝነብሩሉ ቦታ'ዩ ተባሂሉ ዝእመን ኰይኑ፡ ብእኦም ኣቢሎም ድማ እዮም ምስቲ ልዑል ፍጡር ዝራኸቡ። እቶም ጐቦታት ልዕሊ 4500 ስእልታት ኣኻውሕ ዝሓዙ ኰይኖም፡ ገሊኦም ልዕሊ 20,000 ዓመት ዝዕድመኦም እዮም ተባሂሉ ይግመት። እዚኦም፡ ታሪኽ ህዝቢ ሳን ብዝርዝር ዝገልጹ'ዮም። ተሓላቒ ሳን ጋኬሞቶ ዋሊካን ሳታው፡ እቶም እምባታት ንህዝቢ ሳን፡ ማዕረ \"ንህዝቢ ኣስላም ቅዱስ ስፍራ ዝዀነ መካ ዝመሳሰሉ\" ምዃኖም ይገልጽ። ኣብ ጥቓ እቶም ጐቦታት ኣብ ውሽጢ 20 ኪ.ሜ ኵዕታ ምክያድ ፍቝድ ኣይኰነን። እዚ ግን እኹል ከም ዘይኰነ ሳታው ይዛረብ። \"ከመይ ኢለ ዘይጭነቕ?\" ይብል። ብፍላይ፡ \"ራዕዲ ወይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ\" ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርእከቡ ኣሳእል ከዕንዎም ይኽእል እዩ፡ ዝብል ስግኣት ኣለዎ። ኣብ መላእ ደቡባዊ ኣፍሪቃ፡ ህዝቢ ሳን እቲ ሕብረተሰብ መሬቱ ተሓዲጕ ኢሎም ይምጕቱ። \"ድሮ ተገሊልና ኣለና፤ ድኻታት ኢና፡ መሬት ስኢንና። ሕጂ ድማ ካናዳውያን ይመጽኡ ኣለዉ\" ይብል ጋኬሞቶ ዋሊካን ሳታው። ሓላፊት ኮሙኒኬሽን ሪኮንኣፍሪካ ሚስሻፕዋናለ፡ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ቦትስዋና ኣብ መጀመርታ ደረጃኡ ከም ዘሎን፡ እቲ ኩባንያ ድማ ካብቶም ዝተጐድኡ ሕብረተሰባት ጥርዓናት ክሰምዕ ድሌት ከም ዘለዎን ኣስሚራትሉ። \"ንማሕበረሰብ ሳን ብቐጻሊ ክንሰምዖም ኢና። ምኽሮም ሰሚዕና ኸኣ እቲ ቅኑዕ ዝዀነ ነገር ክንገብር ኢና።\" እንተዀነ፡ ካልኦት ሃገራት ኣብ እለሻ ነዳድን ጋዝን ከም ዝተኣማመኑን ቍጠባኦም ንምምዕባል ከም ዝሓገዞምን ትዛረብ። \"መንግስታት ናሚብያን ቦትስዋናን እንተዓዲሞምና፡ እዘን ክልተ ሃገራት'ውን ንረብሓ ህዝቢ፡ እንተላይ ንማሕበረሰብ ሳን፡ ነቲ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ክድህስሳ ክፍቀደለን ፍትሓዊ'ዩ ዝመስለኒ፡\" ትብል።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cp0dnvq2l30o"} {"headline":"ጠንቂ ክሊማዊ ቅልውላው ዝኾና ሃገራት ገበነኛታት፡ ድኻታት ከኣ ግዳያት እየን'","content":"ኣብቲ ግብጺ ዝካየድ ዘሎ ኣህጉራዊ ዋዕላ ክሊማዊ ለውጢ ዝሳተፍ ዘሎ ፕረዚደንት ናሚብያ ሃገ ገንጐብ ሃብታማት ሃገራት ዓለምና፡ ክሊማዊ ለውጢ ንምቅላስ ኣብ ዝግበር ዘተ ብቕንዕና ሓቂ ኣይነግራን እየን ክብል ከሲሱ። እቲ ኣፍሪቃዊ ፕረዚደንት፡ ኣብቲ ኣብ ግብጺ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ክሊማ ኮፕ27፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እተን ቀንዲ ጠንቂ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ክሊማዊ ቅልውላው እየን ኢሉ ብትሪ ክወቅስ ተሰሚዑ። እቲ ብሕቡራት ሃገራት ተወዲቡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝርከብ ፍሉጥ መናፈሲ ሻርም ኣ’ሸኽ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ፡ ብዛዕባ መጻኢ ፕላነት ምድሪን ነበርታን ክዝቲ ኣጀንዳኡ ዝገበረ ኰይኑ፡ ፕረዚደንት ናሚብያ ግን ነቲ ዋዕላ ክሊማ ናብ ሃተውቀጠው ቀይረናኦ ክብል ወቒሱ። ፕረዚደንት ሃገ ኣተሓሒዙ፡ እተን ዓበይቲ በከልቲ ክሊማ ዝዀነ ሃገራት “ገበነኛታት”፡ እተን ድኻታት ሃገራት ከኣ “ግዳያት” ክብል ገሊጽወን። ፕረዚደንት ማላዊ ላዛሩስ ቻክወራ ብወገኑ፡ ኣብ ልዕሊ ሃብታማት ሃገራት ተሪር መልእኽቲ ከሕልፍ ተሰሚዑ። ንሱ ኣብቲ ዋዕላ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ እተን ዝሃብተማ ሃገራት ጠንቂ ክሊማዊ ለውጢ ምዃነን ጠቒሱ፡ ነዚ ቅልውላው ንምቅላስ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዝያዳ ሓልፍነት ክወስዳ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቡ። “ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ፡ ኵልና ማዕረ ክብሪ እዩ ዘለና፣ እንተዀነ ግቡኣትና፡ ዓቕምና ዕድላትናን ጉድለታትናን ግን ዝተፈላለየ እዩ። \"ስለዚ ከም ማላዊ መጠን፡ እዚ ኣብ መንጐ ምዕቡላት ሃገራት ዘሎ ንጹር ፍልልይ ገበነኛነትን ዓቕምን፡ ብመንጽር ሓላፍነት ንምቅላል ቅልውላው ክሊማ፡ ምግምጋምን ፋይናንስን ክንጸባረቕ ኣለዎ ኢልና ንኣምን\" ኢሉ። እቲ ኣብ ግብጺ ዝካየድ ዘሎ መበል 27 ኣህጉራዊ ዋዕላ ክሊማዊ ለውጢ (ኮፕ27)፡ ብ 6 ሕዳር ዝጀመረ ኰይኑ ክሳብ 18 ሕዳር ክቕጽል እዩ። ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዋዒ፡ ዕልቕልቕን ደርቂን ኣብ መላእ ዓለም ይኽሰት ኣሎ። በካሊ ጋዛት ዘስዓቦ ዋዒ ናይዛ ምድሪ'ውን ብዘሰክፍ መጠን ይውስኽ እዩ ዘሎ። እቲ ኵነታት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከይበጽሐ እንከሎ፡ እቲ ዛጊት 1.1 በጺሑ ዘሎ መጠን ዋዒ ናይዛ ፕላነት ኣብ ዓመተ 2100 ካብ 1.5 ከይሓልፍ ምግባር ወሳኒ ምዃኑ'ዮም ተመራመርቲ ዝገልጹ። እቲ ኣኼባ፡ መራሕቲ መንግስታትን ሃገራትን ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተበጽሐ ገስጋስ ብምግምጋም፡ ነቲ ንድሕነት ዓለም ኣስጋኢ ኮይኑ ዘሎ ህጹጽ ኩነታት ክሊማዊ ለውጢ ንምግጣም መብጻዓታት ዝኣትውሉ'ዩ። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ነቲ ኩነታት ንምግታእን ንምቕልባስን \"ደቂሰባት እንተ ዘይተሓቢበሮም ክጠፍኡ'ዮም\" ክብል ኣጠንቂቑ። \"ብፍጥነት ኣብቲ ናብ ገሃነም ዘምርሕ ዓቢ ጽርግያ ንጓዓዝ ኣለና\" ዝብል ጉተረዝ፡ \"ሰዓት ይሃርም ኣሎ። ኣብ ሂወትና ሪኢናዮ ዘይንፈልጥ ቃልሲ ነካይድ ኣለና፡ ግና ንስዓር ኢና ዘለና\" ኢሉ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c03n49v8v3jo"} {"headline":"እድሪስ መሓመድ ኣድም፡ ጕዕዞ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ብብረት ዝደረኸ ተጋዳላይ","content":"ኣብ 60’ታት ኣብ ሰውራ ኤርትራ፡ ኣብቲ ፖለቲካውን ወተሃደራውን መዳያቱ፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ወይ ከኣ ‘ጀብሃ’ ዝዓበየ ተራ ከም ዝነበሮ ክትዕን ምስክርነትን ዘየድልዮ ሓቂ ኰይኑ፡ እቲ ዝዓበየ ጽልዋ ዝነበሮ ተጋዳላይ ከኣ እድሪስ መሓመድ ኣደም እዩ። እድሪስ መሓመድ ኣደም ኣካይዳ ሓራካ፡ እቲ ንተሓኤ ዝወዳደር ዝነበረ ኣካል - ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብማሕበር ሸውዓተ ኣቢሉ ዝጕስጕስ ዝነበረ ምስጢራዊ ውደባ - ስለ ዘይዓጀቦ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ብብረት እንተዘይተመኪቶም ካብ ኤርትራ ኣይክወጹኡን’ዮም ካብ ዝብል እምነት ተበጊሱ ብረታዊ ቃልሲ ከምዝጀመረ ይንገር። ብ50’ታት፡ እቲ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝተቘርነትሉ ስርዓት ፈደረሽን ከምቲ ሰብ ዝተጸበዮ ከም ዘይነበረ ክገሃድ ጀመረ። እቶም ንፈደረሽን ደጊፎም ዝጕስጐሱ ዝነበሩ’ውን ቅሒሮም’ዮም ተሪፎም። ኢትዮጵያ ከም ድላያን ከም ዝጥዕማን ገይራ ንኽትዕምጽ ከም መዋፈሪ ተጠቕመትሉ። ብ1957 ተመሃሮ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣካየዱ፤ ብ1958 ከኣ እቲ ብኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ዝተጀመረ ማሕበር ሰራሕተኛታት ንኣርባዕተ መዓልታት ኣድማ ኣካየደ። ወተሃደራት ኢትዮጵያ ድማ ነቶም ተቓወምቲ ብተዅሲ ተታሓሓዝዎም። ንዓመጻት ኢትዮጵያ ንምምካት ኣብ መወዳእታ 50ታት ሓረካ ተመስረተ።  ሓረካ ብሕዳር 1958፡ ቅድሚ ምንቅስቓስ ተሓኤ ምብጋሱ’ዩ ጀሚሩ። ሓረካ ንኽምስረት ባይታ ዘጣጥሓሉ ጕዳይ ኣካይዳ መንግስቲ ንጉስ ሃይለስላሴ ነበረ - ንውዕል ፈደረሽን ቀስ-ብቐስ እናባሕጐጐ ብምኻዱ። እቶም ንምንቅስቓስ ሓረካ ዝመስረቱ ኣብ ፖርት-ሱዳን ዝነበሩ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ነበሩ። መራሒኦም መሓመድ ስዒድ ናዉድ፡ ኣብ ሱዳን ኣባል ሰልፊ ኮሚኒስት ሱዳን ነበረ። ኰይኑ ድማ በቲ ዝነበሮ ጸጋማዊ ዝንባለ ንሓረካ በቲ ተምሳል’ቲ መስረታ። እዚ ማለት ሰባት በብሸውዓተ ዀይኖም ሚስጢራዊ ዋህዮታት ብምምስራት ይንቀሳቐሱ ነበሩ። እቶም ሸውዓተ ኣባላት ድማ ነናቶም ሸሸውዓተ ሰባት ብምስጢር ብምውዳብ ንሓረካ ኣብ ምሉእ ኤርትራ ከም እትዝርጋሕ ገበሩ። እታ ምስጢራዊት ምንቅስቓስ መንፈሳዊ (ብሃይማኖት ምስልምና ዝተመርሐ) ስለ ዘይነበረት፡ ማለት ንኣስላምን ክርስትያንን ብማዕረ እተሳትፍ ኰይና፡ ኣብ ከበሳ፡ ምናዳ ኣብ ከተማታት ኤርትራ፡ ተቐባልነት ረኸበት። ሓረካ ግን ነቲ ፈደራላዊ ስርዓት ንምስዓር ወይ ከኣ ንምፍሻል ብቝዕ ስትራተጂ ኣይነበራን። እቲ ሓረካ ትጥቀመሉ ዝነበረት ስልቲ ስቪላዊ-ኣብያ ነበረ። ርግጽ’ዩ ቃልሲ ኤርትራ ሕልኽልኽ ዝበለ፡ ንመራሕቱ ድማ ንሓድሕዶም ከም ዝናቘቱ ይገብር ነይሩ’ዩ።  ብ40’ታትን 50’ታትን መርገጺ እድሪስ መሓመድ ኣድም ከም ናይ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣንን ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያምን ኣይነበረን። እዞም ክልተ ኣቦታት ቃልሲ ኤርትራ - ኣቦይ ወልደኣብ ወልደማርያምን ሸኽ ኢብራሂም ስልጣንን - ምስ እድሪስ መሓመድ ኣደም ኣይሰማምዑን ከም ዝነበሩ ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽ ንረኽቦ። እድሪስ መሓመድ ኣድም ብረታዊ ቃልሲ’ምበር ስቪላዊ-ኣብያ ክሳብ ናጽነት ኣየሰጕመናን’ዩ ዝብል እምነት እዩ ነይርዎ። ኤርትራ ብፈደረሽን ምስ ተጸምደት መራሕቲ ናጽነት እናተዳኸሙ ይኸዱ ነበሩ። ሓደ ካብኦም ኣቶ ወልደኣብ ነበሩ። ኣቶ ወልድኣብ ብተድላ ባይሩን መሻርኽቶምን (ኣውራ ብደገፍ ኢደ-ምእታው ኢትዮጵያ) ተሸነፉ ክንብል ንኽእል። ምስኡ ድማ ስርዓታት ኣሜሪካን እንግሊዝን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ንኢትዮጵያ ደጊፎም ይሰርሑ ስለ ዝነበሩ፡ እቶም ደለይቲ ናጽነት ተዳኺሞም ነይሮም’ዮም። ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ወልደኣብ ዝተኻየዱ ሸሞንተ ፈተነታት ቅትለት ብ1953 ከም ዝስደዱ ገይሩዎም። ተድላ ባይሩ፡ ከም ዋና ኣመሓዳሪ፡ ቦታ ገፊሑሎም ቀሲኖም ክሰርሑ ምስ ጀመሩ፡ እቲ ዝመርሕዎ ዝነበሩ ስርዓት ፈደረሽን ብሰላሕታ ስልጣናቱ ክበሓጕ ምስ ጀመረ ግን ዓለሞም ተገልበጠ። እቲ ቀዳማይ ኣሰምብለያ [ባይቶ] ዓበይቲ ኤርትራውያን ሃገራውያን ከም በዓል ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን፡ እድሪስ መሓመድ ኣደም ነበርዎ። ይዅን’ምበር ዲክታተርያዊ ባህርያት ተድላ ባይሩ፡ ምስኡ ኸኣ ኢደ-ምእታው ኢትዮጵያ፡ ንኣባላት ፓርላማ ከነዓዕቦም ጀመረ። እቲ ዛንታ ብሓጺሩ ንምቕራብ፡ ብ1955፡ ኣብ ኣስመራ ብዝተፈጥረ ምፍሕፋሕ ተድላ ባይሩ (ምስ ፕረሲደንት ኣሰምብለያ ዝነበሩ ዓሊ ራድኣይ) ካብ ስልጣኖም ወረዱ። ቦታ ዓሊ ራድኣይ ዝተክአ እድሪስ መሓመድ ኣደም ነበረ።  ሽዑ ንቦታ መራሕ መንግስቲ ተድላ ባይሩ ዝተክኡ ድማ እቶም ንፈደረሽን ዘፍረሱ ኣስፍሃ ወልደሚካኤል ነበሩ። እድሪስ ፕረሲደንት ባይቶ ኤርትራ ንክኸውን ዝተሸመሉ እዋን፡ ፈደረሽን ብውሽጠ-ውሽጢ ይፍንጣሕ ነበረ። እድሪስ ግን ፈደረሽን ንኽዕቀብ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ነበረ። ይዅን’ምበር፡ እድሪስ ንተግባራት ኣስፍሃ ወልደሚካኤል፡ ኣክንዲ ፈደረሽን ንሕብረት ዘቐድም ስለዝነበረ ክገጥሞ ኣይከኣለን። ንርእሰ-ምሕደራ ኤርትራ ከዕቢ ኢሉ ዝያዳ ስልጣን ምስ ሓተተ ብመራሕ-መንግስቲ ተነጽገ። ሽዑ እቲ ናይ ሓቂ ኵነታት ፈደረሽን ንጸድፊ ገጹ የምርሕ ከም ዝነበረ ብዙሓት ኣባላት ባይቶ ክርድኦም ጀመረ። ግናኸ ሓንቲ’ኳ ክገብሩ ኣይከኣሉን። ብሓምለ 1956 እድሪስ መሓመድ ኣደም ብውዲት ጸላእቱን ጸቕጢ ኢትዮጵያን ካብ ስርሑ (ፕረዚደንትነት ባይቶ) ተኣልየ። ብድሕሪኡ፡ እድሪስ ብኣባላት ሓለዋ ተጠማቲ ዀነ፣ ኣስፍሃ ኸኣ በቲ ዝነበሮም ድልየት-ሕብረት ተደሪኾም ድላዮም ክገብሩ ጀመሩ። ኣብ ልዕሊ ደለይቲ ናጽነት ከኣ ጸቕጢ እናጸንከረ ከደ። ኣብቲ ዝተኻየደ ካልኣይ ምርጫ እድሪስ ክሳተፍ ኣይደለየን፣ ብሰላም ዋኒን ሕርሻኡ ኣብ ኣቑርደት ከካይድ መረጸ። ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ከኣ ብተጻብኦታት ይተዓናቐፉ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብቲ ካልኣይ ምርጫ ክዕወቱ ኣይከኣሉን። ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ልዕሊ ኢብራሂም ሱልጣን ብባንዴራ ኤርትራ ብምውራዳ ዝተኣታተወ ሰበብ ክልተ ዓመት ናይ ቀይዲ ብይን ነይሩዎም’ዩ። ኣብ ልዕሊ እድሪስ’ውን ተመሳሳሊ መሰናኽላትን ይፍጠር ነይሩ’ዩ። ባንዴራ ኤርትራ ብ24 ታሕሳስ 1958 ምስ ወረደት ብዙሕ ሰብ ቀበጸ። ካብ ኣባላት ባይቶ እንትርፎ ክልተ ኵሎም (ካብቶም በታ መዓልቲ ኣብ ባይቶ ዝተረኽቡ 64 ኣባላት ፓርላማ) ኣጽደቕዎ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ብዘበን ኣስፍሃ ወልደሚካኤል ብዙሕ ናይ ‘ምጽራይ’ ስርሓት ተኸሲቱ’ዩ ክበሃል ይከኣል። እዚ ማለት፡ ብዙሓት ደገፍቲ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ስልጣን ይመጽኡ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ደለይቲ ናጽነት ይዋሰኑ ነይሮም’ዮም። ጆሰፍ ቨኖሳ ዝተባህለ ተመራማሪ ታሪኽ ከም ዝበሎ፡ ኣብ Paths towards the Nation ዘርእስታ መጽሓፉ፡ ናጽነት ዝደልዩ መራሕቲ ተዋሲኖም ጥራይ ዘይኰነስ ብዉዲት ይጥቅዑን ይልቀሙን ነይሮም’ዮም ይብል። ወሲኹ፡ “ብሰንኩ ንሸኽ ኢብራሂምን ንእድሪስ መሓመድ ኣድምን ፖሊስ ፈደራል ይጸናጸንዎም ከም ዝነበሩ ጽንጽንታ በጽሖም፡” ይብል። ብፓርላማ ኣቢልካ ምቅላስ ተስፋ ከም ዘይነበሮ ዝተረድኡ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣንን እድሪስ መሓመድ ኣድምን ኣብ ኢድ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ምውዳቘም፡ ተበላሒቶም ብመጋቢት 1959 ንሱዳን ሰሊኾም ኣተዉ። ካብኡ ድማ ንካይሮ ሰገሩ። ኣብ መወዳእታ 50’ታት ብዙሓት ኤርትራውያን ደቂ መታሕት ናብ ካይሮ ንትምህርቲ ይሰግሩ ነበሩ። ዩኒቨርሲቲ ኣል-ኣዝሃር ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ተመሃሮ ኣፍርያ’ያ ክበሃል ይከኣል፣ ከምኡ’ውን ብጁዋት ተቓለስቲ። ብ1958 ብዙሓት ካብቶም ተመሃሮ ኣብ ካይሮ ዀይኖም ንቃልሲ ብጁዋት ንምዃን ዘኽእሎም ሓደ ማሕበር ፈጠሩ። ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ለቒቓ እትወጸሉ መንገድታት ከኣ ክፍትሹ ጀመሩ። ኣቶ ወልደኣብ፡ ዋላ’ኳ ቃልሶም ኣብ ካይሮ ብራድዮ ኣቢሎም ይቕጽሉ እንተነበሩ (1956) እቶም ተመሃሮ ግዲ ኣይገብሩሎምን ነበሩ፣ ተነጺሎም ይነብሩ ነበሩ። እድሪስ ብ1959 ናብ ካይሮ ምስ መጽአ’ውን ከምኡ - ግዶም ኣይገበረን። ኣቶ ወልደኣብ ምስቲ ዉሩይ ተቓላሳይ ሳልሕ ሳበ ክላዘቡ ምስ ጀመሩ ድማ እድሪስ ካብኡ ንክንጽሎም ኢዱ የእቱ ከም ዝነበረ ገሊጾም’ዮም። ሸኽ ኢብራሂምን እድሪስን ድማ እሉኽ ነይሩዎም ክበሃል ይከኣል። ሸኽ ኢብራሂም፡ ብ1982 ኣብ ሮማ ዝገበርዎ ቃለ-መጠይቕ መሰረት፡ ንእድሪስ ከም ጀማሪ ብረታዊ ቃልሲ ገይሮም ኣይርእይዎን ነይሮም። ኣብ  መወዳእታ 40’ታት እድሪስ ንሰልፊ ሸኽ ኢብራሂም ጠንጢኑ (ኣ’ራቢጣ ኣል እስላምያ) ምስ ብጾቱ ዀይኑ ናቱ ሰልፊ (ኣ’ራቢጣ ምዕራባዊ ቘላ ወይ ከኣ 'ተቕሲም') መስሪቱ ከም ዝነበረ ምዝካር የድሊ። ኰይኑ ድማ ምስ ኣንድነታውያን ብምሕባር ሓደ ካብቶም ንተድላ ባይሩ ኣብ ስልጣን ካብ ዘምጽኡ ሰባት’ዩ ነይሩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ መንጎ ኢብራሂም ሱልጣንን እድሪስ መሓመድ ኣድምን ፍልልያት ከም ዝነበረ ይጥቀስ’ዩ። ዝዀነ ኰይኑ፡ እቲ ኣብ ካይሮ ዝፍጠር ዝነበረ ቃልሲ ብመናእሰይ፡ ንብረታዊ ቃልሲ ንኽተሓሓዝዎ ድማ ሰገጥ ዘይብሉ፡ እቲ ናይ ቀደም ፖለቲካ ሸኽ ኢብራሂምን ኣቶ ወልደኣብን ኣካይዳ (ኣብ ሕቡራት ሃገራት ደጋጊምካ ምጥራዕ ዘተኰረ ልኡም ቃልሲ) ዘይዓጅቦም ስለ ዝነበረ፡ ኣብ መንጐ ነባራትን ሓደስቲ ተቓለስቲ ዝነበረ ባእስን ሓድሕዳዊ ምግጫውን ከም ንቡር ክውሰድ ይከኣል’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣብ መንጐ እቶም ተመሃሮ ባንዴራ እድሪስ መሓመድ ኣደም ዝለዓለ ቦታ ሒዛ ከም ዝነበረት ምርዳእ የድሊ። ብሓምለ1960 ብሰውራ ኣልጀርያ ተታባቢዖም ተሓኤ መስረቱ፤ ኣብ መንጐኦም ኰይኑ መሪሕ ተራ ዝተጻወተ እድሪስ መሓመድ ኣድም ነበረ። ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ኤርትራ ዝነብሩ ዝነበሩ ብምስረታ ተሓኤ ተታባቢዖም ቀስ ኢሎም ክሕወስዎም ጀመሩ። እቶም ቀዳሞት መራሕቲ ናይቲ ሓድሽ ውድብ ኵሎም ኣስላም ነበሩ። ኰይኑ ድማ ነቲ ምንቅስቓሶም ኣብ ዓዲ ዓረብ ኰይኖም ስለ ዝመስረትዎ ጽልዋ ዓረባዊ ስነ-ሓሳብ ነይሩዎም’ዩ። እቲ ማሕበሮም ከኣ ሓዲስ ስለ ዝነበረ ‘ስጡም ኣይነበረን’፡ ‘ጌጋታት ነይርዎ’ ዝብል ነቐፌታ’ኳ እንተሎ ሃገራዊ ተበግሶምኦ ግን ዝነኣድ ምንባሩ እዩ ዝግለጽ። እቶም ኣባላት በቲ ጋማል ዓብደልናስር (መራሕ መንግስቲ ግብጺ ዝነበረ) ዘካይዶ ዝነበረ ቃልሲ (pan-arabism) ተጸልዮም ብዝመስሎም እቲ መገዱ ብምሓዝ’ዮም ብትብዓት ብረታዊ ቃልሲ ኣተኣታትዮም። መምዘኒኦም ቈራጽነቶምን ስብእነቶምን ምዃኑ ብዙሓት ተንተንቲ ፖለቲካ ዝኣምንሉ ሓቂ’ዩ። ተሓኤ ጸግዒ ዓረብ ብምሓዙ ኸኣ ብዙሕ ትንታነታት ኣስዒቡ’ዩ። ናይ ህይወትን ሞትን ስትራተጂ ብምንባሩ ግን ርዱእ’ዩ፣ ዝሓሸ ኣማራጺ ኣይነበሮምን ዝብሉ ብዙሓት ተንተንቲ ኣለዉ። ኣብ ምፍጣር ተሓኤ እድሪስ መሓመድ ኣድም ወሳኒ ተራ ተጻዊቱ’ዩ፣ ተባዕ ስጕምቲ’ዩ ወሲዱ፣ ኣንፈት ቃልሲ ኸኣ ንሓዋሩ ክልውጥ ከኣለ። ብእኡ ኸኣ’ዩ ዝዝከር። ርግጽ’ዩ ተሓኤ ምስ ሓረካ ኣይተሳነዩን። ኣብ መወዳእታ ግን ተሓኤ እናሓየለ፡ ሓረካ ድማ እናተዳኸመ ምኻዱ ኣብ ሰነዳት ታሪኽ ኤርትራ ተመዝጊቡ ኣሎ። እቶም ኣብ ሱዳን ተኸቲቦም ዝሰርሑ ዝነበሩ (ኤርትራውያን) ኣባላት ፖሊስ'ውን ከይተረፉ  ጸግዒ ተሓኤ ክሕዙ ጀመሩ። ክልቲኦም ውድባት ንሓምድ እድሪስ ዓዋተ ተቓዳዲሞምሉ’ዮም። ንመዘኻኸሪ፡ ሓሚድ ኢድሪስ ዓዋተ (1911-1962) ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዕዙዝ ስም ዘለዎ ተጋዳላይ ነበረ። ዓዋተ ምስ ሒደት ብጾቱ ዀይኑ ምስ ተሓኤ ብምስላፍ ኣብ ምዕራባዊ ኤርትራ ኣብ እምባ ኣዳል ዓሪዱ ንዝነበረ ሓይሊ ፖሊስ ንመጀመርታ ግዜ - ብ01 መስከረም 1961 - ተታዀሰ። ካብኡ ጀሚሩ ተጋደልቲ ተሓኤ ንብረትን መሳርያን መንግስቲ እናዘመቱ፡ ካብ ኣባላቶም ገንዘብ እናኣከቡ፡ እናሰደሩ ከዱ። ካብ ዒራቕ፡ ሶርያ፡ ፍልስጥኤም ሓገዝ ብምርካብ ድማ ሓደ ዓቢ ወትሃደራዊ ሓይሊ መስረቱ። ሓረካ ግን እናቐሃመ ከደ። ብ1963 ተሓኤ ዳርጋ 250 ዝዀኑ ተጋደልቲ ነበርዎ፣ ብ1965 ከኣ ማዕረ 2,000 ተዋጋእቲ በጽሑ። እድሪስ መሓመድ ኣድም በኒዓምረታይን ተኸታሊ ሃይማኖት ምስልምናን እዩ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መታሕት ስለዝጀመረ ነቲ ሰውራ ብዙሓት ደቂ መታሕት ተኸተልቲ እስላም ተጸንበሩዎ። ተጋደልቲ ተሓኤ እናበዝሑ ምስ ከዱ ብ1963 ኣብ ከሰላ ብእድሪስ መሓመድ ኣድም ዝምራሕ መጅልስ ኣልኣዕላ (ላዕለዋይ ባይቶ) ተመስረተ። ሽዑ ብደቂ ቤን-ዓምር ዝተዓብለለ ቃልሲ ነበረ ክበሃል ይከኣል። እቲ ዛንታ ነዊሕን ሕልኽልኽ ስለ ዝብልን ንዕብየት ተሓኤ ብምልኡ ምግላጹ ከሸግር’ዩ። ኣብ ከተማታት ዝርአ ዝነበረ ማእሰርቲ፡ ብወተሃደራት ኢትዮጵያ ዝካየድ ዝነበረ ሃድን፡ ኣብ መታሕት ዝኽሰት ዝነበረ ግፍዒ፡ ቅንጸላታት፡ ኣብ ውሽጢ ሜዳ ዝተወልዐ ውግእ ሓድሕድ ... ታሪኹ ኣዝዩ ነዊሕ'ዩ። ኣሕጺርና ግን ከምዚ ዝስዕብ ከነቕርቦ። ብ1963፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ተመስረተ። ፕረዚደንት ጋማል ዓብደልናስር ናይ ግብጺ ንኣዲስ ኣበባ ክመላለስ ምስ ጀመረ ንጕዳይ ኤርትራ ሸለል ክብሎ ጀመረ። እድሪስ ንኣካይዳ ግብጺ ብምስትብሃል ምስ ደማስቆስ (ሶርያ) ዝምድናታት ክምስርት ጀመረ። ብኡ ምኽንያት ከኣ ተሓኤ ካብ ሶርያ ወተሃደራዊ ሓገዝ ክትረክብ ከኣለት። ብ1967 ውግእ እስራኤልን ሃገራት ኣዕራብን ምስ ጀመረ ሶርያ ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ተገዳስነት ኣጸቢቝ ነከየ። ብ1968 እድሪስ ምስ ዒራቕ ዝምድና ኣማዕበለ። ስለዚ እድሪስ ናብ ባቕዳድ፡ ደማስቆ፡ ከሰላ፡ ውሽጢ ሜዳ እናተመላለሰ ይሰርሕ ነበረ። ተጋደልቲ ጀብሃ እናበዝሑ ኣብ ዝኸዱሉ ዝነበሩ እዋን፡ መጅልስ ኣልኣዕላ ከም ብሓድሽ ነብሱ ሰርዐ - ብቕይዳ ዓማ (ጠቕላሊ መሪሕነት) ተተክአ። እድሪስ ከኣ ከም ኣቦ መንበር ተመርጸ። ኣብቲ እዋን ኣብ ውሽጢ ሜዳ ዝነበሩ መራሕትን ኣብ ሃገራት ኣዕራብ ኰይኖም ዝመርሑ ዝነበሩ መራሕቲ ምትፍናን መጽአ። ኵነታት ሜዳ ኤርትራ ከፍአ - ውግእ ሓድሓድ ኣርከበ። ተሓኤ፡ ምስ ህዝባዊ ሓይልታት ኣብ ዝገራጨውሉ ዝነበረ እዋን፡ መሪሕነት ተሓኤ ቅርጹ ናብ ሰውራዊ ባይቶ ቐየረ። ሽዑ’ውን እድሪስ ንኽመርሖ ተመርጸ። ውግእ ሓድሕድ ቀጸለ። ስርዓት ደርግ ኸኣ ኣርከበ። ሽዑ፡ ብ1975፡ እድሪስ መሓመድ ኣድም ብኣሕመድ ናስር ተተክአ። ንስዑዲ ዓረብ ምስ ገዓዘ ቀስ ኢሉ ስም እድሪስ ቀሃመ። ሒደት ዓመታት ጸኒሑ ህላወ ተሓኤ ኣብ ሓደጋ ኣተወ። ኣብ ፈለማ 80’ታት መብዛሕትኦም ተጋደልቲ ተሓኤ ካብ ሜዳ ኤርትራ ንስደት ኣምርሑ። እድሪስ ኣብ ጀዳ ኰይኑ ምስ ኣባላት ተሓኤ ይራኸብ’ኳ እንተነበረ ካብ ንጡፍ ኣገልግሎት ረሓቐ። ናጽነት ኤርትራ ምስ ኣርከበ፡ እቶም ኵሎም ነባራት ተጋደልቲ ጀብሃ - ተራ ተጋደልቲ ይዅኑ መራሕቲ በቲ ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዛዚሙ ብዓወት ዝኣተወ መንግስቲ ዘቘመ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ብዙሕ ኣቓልቦ ኣይረኸቡን። እቲ ዅሉ ቃልሲ፡ እቲ ዅሉ ምዝንባል-ህይወት፡ እቲ ዅሉ ስንክልናን መስዋእትን፡ እቲ ዅሉ ስደት ተረሲዑ ኤርትራ ናይ ሓቂ ሕብራ ኣርኣየት። እንተ እድሪስ መሓመድ ኣድም ግን፡ ድሕሪ’ቲ ዅሉ ታሪኽ ኣብ 82 ዕድመኡ ኣብ ጂዳ ብ29 ነሓሰ 2003 ብሞት ተፈልዩ። ሬሳኡ ኸኣ ኣብ መካ ተቐብረ። ሬሳ እድሪስ ኣብቲ ዝተወልደሉ ዓዲ ኣብ ኣቝርደት ዘይተቐብረሉ ምኽንያት ንብዙሕ ሰብ ኣዛረበ። ንሱ ጥራይ ዘይኰነ’ውን ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ኮነ ዑስማን ሳልሕ ሳበ’ውን ስለምንታይ ኣብ ኣብ ኤርትራ ዘይተቐብሩ ዝብል ጉዳይ ክሳብ ሕጂ የዛርብ እዩ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c2e923z003lo"} {"headline":"“ኣብ ኩዕሶ እግሪ ህልው ኣቃውማ’ምበር ታሪኽ ብዙሕ ቦታ የብሉን” ጋቶች ፓኖም","content":"ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ 2 ሰነ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ፡ ኢትዮጵያውያን ተፃወትቲ ዋልያ፡ ብፅቡቕ ብቕዓት ንግብፃውያን ስዒሮም። ሃገራዊ ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ፡ ምስታ ኣብ ዓለም ግኑን ስም ዘለዋ ግብፂ ንምግጣም እንትዳሎ ብዙሕ ተባሂሉ። ብዙሓት ስዕረት ተጸብዮም፡ “ብማዕረ ተተፈላሊና እውን በየናይ ዕድልና” ዝበሉ'ውን ኔሮም። ተፃወትቲ ዋልያ ግና፡ ናይ ልቦም ኣብ ልቦም ሒዞም፡ ኣብ ናይ ሳልሳይ ሃገር ሜዳ ምስ ግብፂ ገጢሞም። ብሩንዳዊ ናይቲ ዕለት ማእኸላይ ዳኛ ነቲ ፀዋታ ኣጀሚርዎ። ተፃወትቲ ዋልያ፡ ንልዳት ግብፃውያን ክኩሕኵሑ ጀሚሮም። ግብፃውያን ተፃወትቲ ዝገጠሞም ብድሆ ቀሊል ኣይነበረን። ነዚ ፀዋታ ብስግኣት ዝጀመረ ደጋፊ፡ ትርግታ ልቡ ምልስ ክብለሉ ጀሚሩ። ኣብ መበል 21 ደቓይቕ በፂሖም። ዳዋ ሆቴሳ፡ ናብ ሓላዊ ልዳት ግብፂ ሞሓመድ ኣቡጋባል መሪሹ። ኣብዛ ደቒቓ፡ ኣብ ኢትዮጵያውያን ደገፍቲ ሓያል ሱቕታ ሰፊኑ እንተተብሃለ ምግናን ኣይኸውንን። ኵዕሶ ተሽከርኪራ ናብ መረብ ምስ ኣተወት፡ መሬት ተንቀጥቒጣ። ኢትዮጵያ 1 - ግብፂ 0። ተፃወትቲ ዋልያ ብሓንቲ ጎል ተኣማሚንና ንዕረፍቲ ኣይንወፅእን ዝበሉ ይመስሉ፡ ንናይ ግብፂ ፍርቂ ሜዳ ዓንዲረሙሉ። ሽመልስ በቀለ፡ ካብ ኣማኑኤል ገብረሚካኤል ዝተሳገረትሉ ኵዕሶ ተቐቢሉ፡ ኣብ ልዕሊ ግብፃውያን ካልአይቲ ጎል ኣቑፂሩ። ግብፃውያን ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ዋንጫ ኣፍሪቃ ናብ ፍፃመ በፂሖም ብሰኔጋል ተረቲዖም፡ ናይዛ ኣህጉር ካልኣይቲ ዝሓየለት ጋንታ ንምዃን በቒዖም እዮም። ፊፋ፡ ንግብፂ ብኵዕሶ እግሪ ኣብ መበል 32 ዝሰርዓ እንትኾን፡ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ መበል 140 ደረጃ ትርከብ። ተንተንቲ ውፅኢት ኵዕሶ እግሪ፡ ግብፂ ክትስዕር እያ ኢሎም ምግማቶም ኣይገርምን። ድሕሪ እቲ ውፅኢት ኢትዮጵያ ስዒራ ጥራሕ እንተይኮነስ፡ ግብፂ ተሳዒራ ኢሎም እንተፅሓፉ’ውን በቲ ውፅኢት ሰምቢዶም ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ጋቶች ፓኖም፡ “አረ ንሕና ዋላ ሓደ ፍርሒ ኣይነበረናን። ክንስዕር ከምንኽእል ንርእስና ኣእሚንና ኢና ኣቲና። \"ኣብ ኵዕሶ እግሪ ህልው ኣቃውማ’ምበር ታሪኽ ብዙሕ ቦታ የብሉን እሞ ምስዓር እዩ ዕላማና ነይሩ” ይብል። ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ ካብ ዝፍለጠሉ ናይ 4-3-3 ኣሰላልፋ ወፅዩ ብሓድሽ ኣሰላልፋ 4-2-3-1 እዩ፡ ምስ ተፃወትቲ ግብፂ ገጢሙ። ኣቡበከር ናስር ኣብ ቅድሚት መስመር፣ ጋቶችን ኣማኑኤልን ድማ ክንፊ ምክልኻልን ምጥቃዕን ክውግኑ ዕዮ ተዋሂብዎም። ለውጢ እቲ ኣሰልጣኒ ድማ፡ ውፅኢታዊ ነይሩ። ጋቶች፡ “ብማላዊ ተሳዒርና ምስ ተመለስና ኢና፡ ንግብፂ ገጢምና። እቲ ፀዋታ ቀሊል ከምዘይኾን ንፈልጥ ኢና። እንተኾነ ስዒርና፡ ንሕና እውን ተሓጕስና፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ’ውን ተሓጕስና” ይብል። ብዘደንቕ ብቕዓት ንማእኸል ሜዳ ዝፃወት ዝነበረ ጋቶች ፓኖም፡ ቀዋሚ ተሰላፊ ኮይኑ ንኢትዮጵያ ካብ ዝውክል ፀኒሑ’ዩ። ኣብ ፀዋታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ንጋቶች ክርእዩ ዝበሃጉ ኣዕይንቲ ኣይተሳኽዐሎምን። ጋቶች ግና ንታሪኻዊ ምስ ግብፂ ዝካየድ ግጥም ተሰሊፉ። “ሓቂ’ዩ ኣብ ፀዋታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዋላ ሓደ ፀዋታ ኣይተፃወትኩን። እዚ ናይ ኣሰልጣኒ ውሳነ ነይሩ። እንተኾነ ግና፡ ኣነ ናብ ሜዳ እቶ ኣብ ዝበሃለሉ፡ ኩሉ ግዘ ንምእታው ድሉው’የ። ጋቶች፡ “ናብ ሜዳ እቶ እንክትበሃል፡ ዘለካ ዓቕሚ ኢኻ ክተርእይ ዝግባእ” ይብል፡ እቲ ብቃል ዝበሎ ድማ ኣብዚ ፀዋታ ንብዙሓት ኣርእዩ። ካብ 27 ክልላት ግብፂ ሓደ ዝኾነ ሬድ ሲ ገቨርኔት መንበሪ ኤል ጉና እዩ። ኤል ጉና ንተፃወትቲ ኵዕሶ እግሪ ሓድሽ ኣይኮነን። ኢትዮጵያውያን ተፃወትቲ ንሊግ ግብፂ ሓደሽቲ ኣይኮኑን። ጋቶች ፓኖም፡ ሓደ ወቕቲ ኵዕሶ እግሪ ኣብ ኤል ጉና ኣሕሊፉ’ዩ። ንሃራስ ኤል ሆዱድ’ውን ተሰሊፉ ይፈልጥ’ዩ። ሽመልስ በቀለ ድማ፡ ኣብቲ እዋን ናይ ኤል-ጉና ኣከፋፋሊ እዩ ነይሩ። ካልኦት ፍሉጣት ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ተፃወትቲ’ውን፡ ንሊግ ግብፂ ይፈልጥዎ’ዮም። እሞ ተፃወትቲ ዋልያ፡ ንግብፃውያን ተፃወትቲ ክረትዑ ዝደረኾም እዚ’ዶ ይኸውን? ጋቶች፡ “መብዛሕትኦም ተፃወትቲ ግብፂ፡ ካብ ኣል-ኣህሊና ዛማሌክ ዝተመረፁ’ዮም። ኣብኡ እንከለኹ ተፃራሪ ኮይነ ዝገጠምክዎም’ዮም። እዚ ሓጊዙኑ’ዩ ኢለ እሓስብ” ይብል። እዚ ዝተረኸበ ዓወት፡ ንቀፀልቲ ግጥማት ፅኑዕ መንፈስ ከምዝፈጥር’ዩ ጋቶች ዝኣምን። “ብዓወት ኮነ ብደረጃ ካባና ዝለዓሉ እዮም። ንግብፂ ንምስዓር ከምዝበርታዕናዮ፡ ንካልእ እውን ምስዓር ከምንኽእል ዘርአየና’ዩ” ይብል። ካፍ፡ ኢትዮጵያ ግጥማት ኣህጉራዊ ፀዋታ ንምክያድ ዘኽእል ሜዳ ኵዕሶ ከምዘይብላ ኣፍሊጡ’ዩ። እዚ ዜና ንፌደሬሽን ኵዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ንብዙሓት ርእሶም ከድንኑ ዝገበረዩ ነይሩ። ፌደሬሽን ኢትዮጵያ፡ ንስታድየም ባህርዳር ኣሐዲሰዮ እየ እንተበለ’ውን፡ ካፍ ተወካሊ ልኢኹ ብምምርማር፡ ረቛሕታት ኣየማላእኹምን ዝብል ምላሽ ሂቡ። ነዚ ድማ እዩ ተፃወትቲ ዋልያ ኣብ ሜድኦም ከካይድዎ ተሓሲቡ ዝነበረ ግጥም፡ ኣብ ናይ ማላዊ ስታድየም ክፃወቱ ዝተገደዱ። እንተኾነ፡ ኣብ ማላዊ ስታድየም ሊሎንግዌ ንዋልያ ዝነበረ ድጋፍ ደሚቕ’ዩ ነይሩ። “ሓቂ’ዩ፡ ኣብ ሜዳና እንተዝኸውን ነይሩ፡ ዓርሰ ምትእምማን ምፈጠረልና ነይሩ”ዝብል ጋቶች፡ “ኣብ ማላዊ ዝነበረ ድጋፍ ኣብ ሜዳና ንፃወት ከምዘለና ክስመዓና ገይሩ” ኢሉ። ጋቶች፡ እቲ ፀዋታ ምስተዛዘመ፡ ካብ ዓበይቲ መጉልሒ ድምፂ እቲ ስታድየም ይወፅእ ብዝነበረ ሙዚቃ፡ ምስ ደገፍቲ ሓጎሱ ይገልፅ ከምዝነበረ ይዝክር። “ናትና ሜዳ እንተበፂሑ፡ ቀፃሊ ፀዋታ (ኢትዮጵያ ምስ ጊኒ) ኣብ ቅድሚ ደገፍትና ክንገጥም አተስፎ” ይብል። ግብፃውያን ኣለና ኢሎም ዝምክሕሉ ስሙይ ተፃዋቲ ሞሓመድ ሳላሕ፡ ኣብዚ ፀዋታ ከሰልፍዎ ኣይከኣሉን። ኣጥቃዒ ሊቨርፑል ዝኾነ ሞሓመድ ሳላሕ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ጉድኣት እዩ ኣብዚ ፀዋታ ዘይተሰለፈ። ቁፅሪ ሓደ፡ ሓላዊ ልዳት ኤልሻናዊን ትሬዝጊምን እውን ኣብዚ ፀዋታ ንሃገሮም ኣይወከሉን። እሞ ብሓቂ፡ ሞሓመድ ሳላሕ ኣብዚ ግጥም ዘይምስላፉ ንተፃዋቲ ዋልያ ፅቡቕ ኣጋጣሚ’ዶ ነይሩ? “ሓቂ እዩ ሞሓመድ ሳላሕ ዓብይ ተፃዋቲ’ዩ” ዝብል ርኢቶ ዘለዎ ጋቶች፡ “እንተኾነ ሳላሕ በይኑ ዋላ ሓደ ክገብር ኣይኽእልን። ምኽንያቱ ኣብቲ ዕለት ንሕና ዝሐሽና ኢና ነይርና። ዝግበአና ውፅኢት ኢና ረኺብና” ይብል። ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ’ውን ናብ ኢትዮጵያ ምስ ተመለሰ ዝሃቦ ርእይቶ “ንሕና በሊፅና’ምበር፡ ግብፂ ድኹም ኮይኑ ኣይኮነን” ዝብል እዩ ነይሩ። ብስዕረት ግብፂ ዝሰምበዱ ብዙሓት ማዕከናት ኣፍቀርቲ ኵዕሶ እግሪ’ውን፡ ንውፅኢት ዋልያ ካብ ምንኣድ ኣይተቖጠቡን። መራኸብቲ ሓፋሽ ግብፂ ድማ ንሓድሽ ኣሰልጣኒ ተፃወትቲ ግብፂ ዝነቅፍ ትንታነ ኣቃሊሖም። ተፃወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ መፃረይ ፀዋታ ቻን፡ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ምስ ደቡብ ሱዳን ክገጥሙ’ዮም። ቻን ኣብ ውሽጢ ሃገር ጥራሕ ዝፃወቱ ተፃወትቲ ዝሳተፍሉ ኣህጉራዊ ውድድር’ዩ። እዚ ድማ ንኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ፡ ሓደሽቲ ተፃወትቲ ዝፍትንሉ ዕድል ዝህብ እዩ። ካብኡ ቀፂሉ ድማ፡ ክልተ ናይ ኣፍሪቃ መፃረይ ፀዋታት ዝስዕቡ እንትኾኑ፡ ዋልያ ኣብ ወርሒ መስከረም ምስ ጊኒ ክገጥሙ እዮም። ኣብ ወርሒ መጋቢት ከኣ፡ ክልተ ናይ ምድብ መፃረይ ፀዋታት ምስ ማላውን ግብፅን ክካየዱ’ዮም። ሕዚ’ውን ኢትዮጵያ ናይ ምድብ ‘መ’ ኣውራ እያ። ዋላ’ኳ፡ ኩሎም ጋንታታት እቲ ምድብ ተመሳሳሊ ሰለስተ  ነጥቢ እንተሃለዎም፡ ዋልያ ብሓደ ጸብለልታ ሸቶ፡ ኣውራ እዚ ምድብ ኮይኖም ተሰሪዖም ይርከቡ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cq580e1d70yo"} {"headline":"ኣብ 2016 ካብ ሱዳን ናብ ግብጺ ዝተበገሱ 32 ኤርትራውያን ኣበይ ተሸርቡ?","content":"ኣብ ፈለማ ወርሒ ሰነ 2016፡ ብመገዲ ኣሰጋግርቲ ካብ ሱዳን ናብ ግብጺ ብመኪና ምስ ዝተበገሱ 32 ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣንዋርን ኣይመንን ዝተባህሉ ክልተ ኣሕዋት ነበሩ። ኣብቲ ግዜ'ቲ ወዲ 14 ዓመትን መንፈቕን ዝነበረ ኣንዋር ማሕሙድ ኣሕመድ ታልከ፡ ሽዑ ወዲ 24 ዓመት ምስ ዝነበረ ሓዉ ኣይመን ማሕሙድ ኣሕመድ ታልከን ወዲ ሓወቦኦም ጀማል ታልከ ኣሕመድን፡ ከምኡ'ውን ኣሮንን ኣወልኬርን ዝተባህሉ ክልተ ኣዕሩኽቶምን ዝርከብዎም 32 ሰባት፡ ብ02 ሰነ 2016 ካብ ካርቱም ተበጊሶም ናብ ግብጺ ኣምርሑ። ኣይመንን ኣንዋርን ኣብ ስዑድያ እዮም ተወሊዶም ዓብዮም። ተቐማጢት ስዑድ ዓረብ ወላዲቶም ወይዘሮ ሳዕድያ ዓሊ ዑመር ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ ደቃ፡ ናብ ዶብ ግብጺ ቀሪብና ኣለና ኢሎም መልእኽቲ ከም ዝሰደዱላ ትሕብር። ድሕሪኡ ግን ደሃዮም ኣይሰምዐትን። ወይዘሮ ሳዕድያ ሕንቕንቕ እናበለት፡ “ብ11 ሰነ 2016 ከኣ [ደቅኺ] ሞይቶም’ዮም ዝብል ዘይወግዓዊ መርድእ መጺኡና” ትብል። ወይዘሮ ሳዕድያ፡ ሬሳ ክልተ ደቃ ዘይርኣየትሉ መርድእ ስለዘየቕበጻ፡ ንመንግስቲ ግብጺ ደሃይ ደቃ ክትሓትት ክልተ ሳዕ ናብ ግብጺ ተመላሊሳ። ምስዞም ንግብጺ ብሓባር ዝተበገሱ 32 ኤርትራውያን ኣብ ኣስመራ ዕዳጋ ሓሙስ ተወሊዱ ዝዓበየ፡ ኣብቲ እዋን ወዲ 22 ዓመት ዝነበረ ኣሮን ሃይለማርያም ኪዳነ’ውን ነይሩ። ኣብ ሃገረ ፈረንሳ እትነብር  ወላዲቱ ወይዘሮ መኣዛ ተስፋማርያም ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ፡ “ናብ ግብጺ ክብገስ እንከሎ ይብገስ ኣለኹ ኢሉ ነጊርና ነይሩ” ትብል። ኣሮን ኣብ 2016’ዩ ናብ ሱዳን ሰጊሩ፡ ኣብ ሰነ ኸኣ ምስቶም ትምህርቲ ምስ ተዓጽወ ናብ ኤርትራ፡ ኣስመራ ናብ እንዳ ኣቦሓጐኦም ክምጽኡ እንከለዉ ዝተላለዮም ኣንዋርን ኣይመንን ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሰነ ናብ ግብጺ ተበጊሱ። ወይዘሮ መኣዛ፡ ብቤላ ቤለው ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ኣለው ዝብል ዘረባ እንተዘይኰይኑ ክሳብ ሕጂ ደሃይ ውላዶም ከምዘይሰምዑ ትዛረብ። ወላዲኡ ንኣሮን ኣቶ ሃይለማርያም ኪዳነ ብወገኑ፡ “ኣብ ግብጺ ኣብ ኵሉ እዩ ተሓቲቱ፣ ሓንቲ ኣብ ግብጺ ኣብ ከባቢ ኣስዋን እትርከብ ከቢድ ገበን ኣለዎም ዝበሃሉ ሰባት ዝእሰሩላ ቤት ማእሰርቲ እንተዘይኰይኑ፡ ኣብ ኵሉ ብሰብ ገይርና ሓቲትና ኢና፤ ደሃይ ዝበሃል ክንረክብ ኣይክኣልናን” ይብል። እቲ ኣብ ኣስመራ ዕዳጋ ሓሙስ ተወሊዱ ዝዓበየ፡ ክብገሱ እንከለው ወዲ 22 ዓመት ዝነበረ ኣወልኬር ኢብራሂም፡ ሕሳስ ልደ ስድራ ኰይኑ ኣብ ሚያዝያ 2016 እዩ ናብ ሱዳን ሰጊሩ። ተቐማጢት መካ ስዑድ ዓረብ ዝዀነት ፎዝያ ኢብራሂም ሱሌማን በዅሪ ሓፍቱ ንኣወልኬር ኢብራሂም፡ “ናብ ግብጺ ክብገስ እንከሎ ደዊሉ ሕጂ ንብገስ ኣለና፡ ድሕሪ ክልተ መዓልታት ክትኣትዉ ኢኹም ኢሎሙና ኣለዉ ምስ ኣተና ክድውለልኪ’የ” ኢሉኒ ክትብል ንቢቢሲ ሓቢራ። ደጋጊማ ‘ብመሰንጀር’ ትጽሕፈሉ ከምዝነበረት ግን መልሲ ከምዘይረኸበት፡  ኣብ ጾመ ሮሞዳን ግን ብናይ ግብጺ ቍጽሪ ገይሮም ኣብ ግብጺ ናብ እትርከብ ዘመድ ደዊሎም ከምዝነበሩ፡ እንተዀነ ኣብ መስጊድ ስለዝነበረት ከምዘይተቐበለቶም ትጠቕስ። ድሒሩ ናብታ ዝተደወለታ ቍጽሪ ተመሊሳ ምስ ደወለት ከኣ ሓደ ግብጻዊ ተቐቢሉ፡ “ካብ ሱዳን ብሳህራ ገይሮም ናብ ግብጺ ዝኣተዉ ሰባት’ዮም ኣደውለና ኢሎሙኒ” ክብል ስለዝመለሰላ፡ ነዚኣ ኣብ ግብጺ ከምዝኣተዉ እትሕብር መርትዖ ገይራ ከምእትርእያ ትዛረብ። እቲ ካብ ሱዳን ዘበገሶም ኣሰጋጋሪ ሰባት፡ ንወይዘሮ ሳዕድያ እቶም ክልተ ደቃ ዝርከብዎም 32 ስደተኛታት ብማይ ጽምኢ ከምዝሞቱ ሓቢሩ ዝብል ሓበሬታ ክመጽኣ እንከሎ፤ ፎዝያ ከኣ ካብ ተመሳሳሊ ኣስጋራይ መኪና ተገልቢጦም ከምዝሞቱ ዝገልጽ ሓበሬታ ከምዝመጽኦም ትገልጽ። “ዝተፈላለየን ዝዋቃዕን ሓበሬታ እዩ ዝመጽኣና፤ እቲ ተጋላባጥን በበይኑን ዘረባ ናይቲ ኣስጋራይ ድማ’ዩ እቲ ዘረባታት ሓቂ ክኸውን ከምዘይክእል ዘእምነና” ትብል ፎዝያ። ኣብቲ እዞም 32 ኤርትራውያን ካብ ሱዳን ናብ ግብጺ ዝሰገርሉ እዋን፡ ኣብቲ ዶባት ሞት ከምዘይነበረ ስለዝተሓበረ ግን፡ ኮንዶኾን እዞም ሰባት ኣብ ገለ ብህይወት ይህልው ይዀኑ ዝብል ሓሳብ ኣሕዲሩለን። እንተዀነ ኣብዚ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት፡ ካብቶም ብሓባር ዝተበገሱ 32 ሰባት ሓደ እውን ይዅን “ኣብዚ ኣለና” ዝብል ሰብ ኣይተረኸበን። ኣብ ዓለማዊ ስደት ሓበሬታት ዝእክብ፡ መጽናዕቲ ዘካይድን ፖሊሲ ዘወጽእን ሚክስድ ማይግረሽን ሰንተር [Mixed migration centre] ዝተባህለ ማሕበር፡ ብ9 ለካቲት 2017 ንሓፈሻዊ ስደት ኤርትራውያን ዝምልከተ ጸብጻብ ኣውጺኡ ነይሩ። እቲ ትካል ኣብ 2016፡ ቍጽሪ ናይቶም ብመንግስታት ሱዳንን ግብጽን ዝተኸተሩ፡ ዝተኣሰሩን ናብ ዓዶም ዝተጠረዙን ኤርትራውያን ስደተኛታት ቍጽሮም ዝለዓለ ምንባሩ ኣብ ጸብጻቡ ጠቒሱ ኣሎ። መንግስቲ ግብጺ’ውን ኣብቲ ግዜ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ 12,192 (ዓሰርተ ክልተ ሽሕን ሚእትን ተስዓን ክልተን) ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ግብጺ ክኣትዉን ካብ ግብጺ ክወጽኡን ብሓለዋ ዶብ ግብጺ ከምዝተተሓዙ ሓቢሩ ነይሩ። እንተዀነ፡ ካብዚኦም ክንደይ ዝኣኽሉ  ኤርትራውያን ምዃኖም ግን ኣብቲ ጸብጻብ ኣይተገልጸን። ብ16 ሰነ 2022 ኤርትራውይና ዲያስፖራ ምብራቕ ኣፍሪቃ [EDEA)፡ ምትሕብባር ኤርትራውይን ንሰባዊ መሰላት፡ (ECHR) ትካል ሰባዊ መሰላት ዓፋር ቀይሕባሕሪ (RSAHRO) ዝርከብዎም ሽዱሽተ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ተጣበቕቲ ሰባዊ መሰላትን ውልቀ ሰባትን ብዛዕባ እዞም ስደተኛታት ኣመልኪቶም ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺኦም ነይሮም። እዞም ማሕበራት፡ ገለ ካብዞም ኣብ ጕዕዞ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መንጐ ሓለዋ ዶብ ግብጽን እቶም ኣስገርትን ብዝተገበረ ምልውዋጥ ተዅሲ ተቐቲሎም ዝብል መርድእ ክመጽኦም እንከሎ; ገለ ስድራ ቤታት ከኣ ኣብ ዞባ ኣስዋን ግብጺ ‘ስጂን ሲምበል’ ኣብ ዝበሃል ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ምህላዎም ሓበሬታ ከምዘሎ ገሊጾም። ወይዘሮ ሳዕድያ ዓሊ ዑመር ግን ደቃን መጓዕዝቶምን “ብጽምኢ ማይ ሞይቶም” ዝብል ዘይወግዓዊ መርድእ ከምዝመጽኣ እያ ንቢቢሲ ገሊጻ። እዞም ሽዱሽተ ማሕበራትን ውልቀ ሰባትን ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ ስድራ ናይዞም ደሃዮም ዘይተረኽበ 32 ኤርትራውያን ኣብ ሰንፈላል ከምዝርከቡ ብምግላጽ፡ ደሃይ እቶም ዝጠፍኡ ስደተኛታት ንምርካብ ኣብ ዝግበር ጐስጓስ ዓቕሞም ወዳዲቦም ከምዝሰርሑ ሓቢሮም። ካብ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ዝርከብዎም ዓለምለኻውያን ማሕበራት ደገፍ ክግበርሎም'ውን ጻውዒት ኣቕሪቦም። ኣብ ጥሪ 2022 ካብ 8 ክሳብ 10 ዓመታት ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ዝነበሩን ናይ ምጥራዝ ሓደጋ ኣንጸላልይዎም ዝነበረን ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተፈቲሖም ናብ ሳልሳይ ሃገር ምስግጋሮም ዝዝከር እዩ። እቶም ኣለም ተስፋይን ክብሮም ኣድሓኖምን ዝተበሃሉ ኣብ 2012 ከምኡ'ውን 2014 ኣትሒዞም ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ኤርትራውያን፡ ኣብ ግብጺ ኣብ 'ኣል ከናተር' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤት ማእሰርቲ ንሸሞንተን ዓሰርተን ዓመታት ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ’ዮም፡ ግሎባል ባይቶ ይኣክልን ካልኦት ተጣበቕቲ ሰባዊ መሰላት ብዝገበርዎ ጐስጓስ ካብ ምጥራዝ ድሒኖም ናብ ካናዳ ተሰጋጊሮም። እቶም ኣለም ተስፋይን ክብሮም ኣድሓኖምን ዝተባህሉ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ኣለም ኣብ 2012፡ ክብሮም ከኣ ኣብ 2014 ኣብ ቀይዲ'ኳ እንተኣተው፡ ካብ መንግስቲ ግብጺ ዝዀነ ይዅን ወግዓዊ ክሲ ከምዘይቀረበሎም እዮም እቶም ንጕዳዮም ዝከታተሉ ዝነበሩ ተጣበቕቲ መሰላት ዝዛረቡ። ካብዚ ብምብጋስ’ዩ እዞም ኣብ ሰነ 2016 ኣትሒዞም ደሃዮም ዘይተረኸበ 32 ኤርትራውያን ኣብ ገለ ኣብያተ ማእሰርቲ ግብጺ’ዶ ይህልዉ ይዀኑ ዝብል ተስፋ ኣሕዲሩ ዘሎ። ወይዘሮ ሳዕድያ፡ “ቍስለይ፡ ቍስሊ ዅሎም 'ቶም ደሃይ ደቈም ዝጠፍኦም ወለዲ’ዩ፡ ለይትን መዓልትን ከመይ ይሓልፎ ከምዘለኹ ስለዝፈልጥ፡ ኣደታቶም ከመይ ይሓልፍኦ ከምዘለዋ ኣይጠፍኣንን’ዩ፣ ንዅለን ወኪለ ደሃይ ደቅና ክርከብ ይጽዕር ኣለኹ” ኢላ። ዘረባኣ ብምቕጻል፡ “ኣነ ደቀይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘለዉ’ዩ ዝርድኣኒ፡ ርግጽ ድማ’ዩ፤ እንተዀነ ኣበየነይቲ ቤት ማእሰርቲ ከምዘለዉ ኢና ክንፈልጥ ዘይክኣልና፡” ትውስኽ። ንኽልተ ኣዋርሕ ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ግብጺ እናኸደት ንደቃን መጓዕዝቶምን ከምዝደለየቶም እትገልጽ ወይዘሮ ሳዕድያ፡ ኣብ ዝሓተትሉ ቤት ጽሕፈት፡ “ኣስማቶም ሃብና ምስ ረኸብናዮም ደሃይ ክንሕብረኪ ኢና” እናበሉ ከምዘፋንውዋ ገሊጻ። ብመልሲ ሓለፍቲ ግብጺ ዘይዓገበት ወይዘሮ ሳዕድያ፡ ኣብ ካይሮ ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ’ውን ከምዝኸደት ትሕብር። “ምስ ከድክዎም ኣሰንዮምንን፡ ምሳይ ኰይኖም ደልዮምን፣ ኮለል ምስ በዝሐ ደሓን ንሕና ክንደልዮም ኢና ኢሎም ንዓይ ኣፋንዮሙኒ። ዳሕራይ ግዜ ምስ ነውሐ ግን ‘ሓቲትና ኢና የለዉን’ ዝብል መልሲ ሂቦሙኒ” ትብል ወይዘሮ ሳዕድያ። ኣብቲ ደቃን መጓዕዝቶምን ዝሰገርሉ እዋን፡ ኣብቲ ዶብ ዝዀነ ሓደጋ ከምዘየጋጠመ ብመንገዲ ኤምባስን ንሰባት ሓታቲታ ከምዘረጋገጸትን እትዛረብ ወይዘሮ ሳዕድያ፡ ደቃ ብህይወት ኣለው ዝብል እምንቶኣ ልዑል ምዃኑ ትሕብር። “ኣነስ ነተን ኵለን ከምዛ ኸማይ እናሓመማን እናተሳቐያን ደሃይ ደቀን ብተስፋ ዝጽበያ ዘለዋ ኣደታት ጭንቀተን ናብ ሓጐስ ዝቕየረሉ መዓልቲ እየ ብተስፋ ዝጽበ ዘለኹ” ከኣ ትብል። ወላዲኡ ንኣሮን ኣቶ ሃይለማርያም ኪዳን፡ “ይትረፍ ሰብ ጥሪት ጠፊእካ’ውን ደቂስካ ኣይሕደርን’ዩ፣ ክሳብ ሕጂ ሰለም ኣየበልናን ዘለና፣ ኣብዚ ኣለዉ፡ ኣብዚኣ ተቐቢሮም እንተንበሃል፡ ሓደ ቅባጸት’ዩ፡ እዚ ኢልና ዘይግለጽ ስቅያት ኢና ነሕልፍ ዘለና” ብምባል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ኣብ 2016 ካብቶም ካብ ኤርትራ ዝወጽኡ ስደተኛታት ገሊኦም ናብቲ ዝደለይዎ ቦታ ከይበጽሑ ከምዝሞቱ እዩ ሚክስድ ማይግረሽን ሴንተር ኣብ ጸብጻቡ ዝገልጽ። ኣብ 2016፡ ኣስታት 5079 ስደተኛታት ንማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ኣውሮጳ ክኣትው ከምዝሞቱ ወይ ሃለዋቶም ከምዝጠፍአ ብምግላጽ፡ ካብኦም እቶም ዝበዝሑ ዜጋታት ኤርትራ ምዃኖም ይሕብር። ብዘይካ'ዚ ካብ 2014 ክሳብ 2016 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ብወሕዱ 2500 ስደተኛታት ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ንምብጻሕ ኣብ ዝገበርዎ ናይ መሬት ጕዕዞ ከምዝሞቱ ሚክሲድ ማይግረሽን ሰንተር ይገልጽ። ካብ 2009 ክሳብ 2013 ኣብ ዝነበረ ግዜ’ውን መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝርከብዎም፡ ካብ 5000 ክሳብ 10,000 ዝበጽሑ ስደተኛታት ኣብ ምድረ በዳ ሲናይ ግብጺ ከምዝሞቱ ይግለጽ። ኣብ 2016 ከኣ ካብ 48 ክሳብ 60 ሽሕ ዝቝጽሮም ኤርትራውያን ካብ ኤርትራ ከም ዝተሰደዱን ካብኦም ኣስታት 20,718 ( ዕስራ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ዓሰርተ ሸሞንተን) ናብ ኢጣልያ ከምዝኣተዉን ጸብጻብ 'ቲ ትካል የረድእ። እዚ ቝጽሪ እዚ ምስቶም ቅድሚ 2016 ናብ ኢጣልያ ዝኣትዉ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምንጽጻር፡ ብ50 ሚእታዊት ከምዝጐደለ ዝገልጽ ሚክሲድ ማይግረሽን ሰንተር፡ ሓደ ካብቲ ምኽንያት ኣብ ሱዳንን ግብጽን ብርቱዕ ማእሰርቲ፡ ግፋን ምጥራዝን ስለዝነበረ’ዩ ክብል ኣስፊሩ ኣሎ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4nxdlzwyzgo"} {"headline":"ንሰበይቱ ብምቕታል ዝተጠርጠረ ግብጻዊ ላዕለዋይ ዳይና ይድለ ኣሎ","content":"ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን፡ ኣቕራቢት መደባት ተሌቪዥን ዝዀነት በዓልቲ ቤቱ ካብ ሓደ ኣብ ጥቓ ካይሮ ዝርከብ ማእከል ዕዳጋ ከምዝጠፍአት ዘመልከተ ላዕለዋይ ግብጻዊ ዳይና፡ ብቕትለት ሰበይቱ ተጠርጢሩ ይድለ ኣሎ፡፡ ናይቲ ኣይመን ሓጃጅ ዝተባህለ ዳይና ተሓባባሪ ከምዝኾነ ዝገለጸ ውልቀ ሰብ፡ ናብቲ ሬሳ ናይታ ሻይማ ጋማል ዝተባህለት ግዳይ ዝርከበሉ ግራት ከምዝመረሖም ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ገሊጹ፡፡ እታ ውልቀ ሰብ መንነታ ከይፍለጥ፡ ኣካላታ ንምብትታን ከምዝተፈተነ እውን ሰብመዚ ገሊጾም፡፡ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ከምዝገለጾ፡ እታ ኣቕራቢት መደባት ተሌቪዥን ንመወዳእታ ግዜ ምስ በዓል ቤታ ኣብቲ ማእከል ዕዳጋ እያ ተራእያ፡፡ እቲ ተኸሳሲ ምኽትል ኣቦ መንበር ናይቲ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ኮይኑ፡ ናይ ምኽሳስ መሰሉ ተላዒሉ ኣሎ፡፡ ዳይና ሓጃጅ፡ ኣብ ቀረባ እዋናት ናይ ካናዳን ፖላንድን ቪዛ ብምርካቡ ድማ ዓለምለኻዊ ትእዛዝ ማእሰርቲ ወጺእሉ ኣሎ፡፡ ኣቕራቢት መደባት ቴሌቪዥን ዝኾነት ጋማል ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ቀጥታ ፈነወ፡ ሄሮይን ዝተባህለ ኣደንዛዚ እጽ ብኣፍንጫኣ ብምስሓባ ኣዘራራቢት ኮይና ነይራ፡፡ ዋላ'ኳ እቲ ዝሰሓበቶ ሽኮር ከምዝኾነ እንተገለጸት፡ ንሰለስተ ኣዋርሕ ግን ካብ ስራሓ ተኣጊዳ ነይራ፡፡ ሓደ ሲሶ ደቂ ኣንስትዮ ግብጺ፡ ግዳያት ዘቤታዊ ዓመጽ ከምዝኾና መረዳእታታት ይሕብሩ፡፡","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c0x1d2d3yylo"} {"headline":"መራሕቲ ግብጽን ሶማልያን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዘትዮም","content":"ፕረዚደንት ግብጺ ዓብዱልፈታሕ ኣልሲሲ፡ ኣብ ካይሮ ምብጻሕ ምስዘካየደ ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ጉዳይ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ከምዝተዘራረቡ ተገሊጹ። ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ድሕሪ ምዝታዮም፡ ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ወሓዝቲ ማያት ዝግበሩ ፕሮጀክትታት፡ “ሓደገኛ ብሕታዊ ፖሊሲታት” ኣብ ዝበልዎም ጉዳያት ከምዝተዘራረቡ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ሓቢሩ። ኣብቲ መግለጺ፡ ኣልሲሲ፡ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት  ኢትዮጵያ “ብውልቃ ስጕምቲ ምውሳዳ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክህልዎ እዩ” ከምዝበለ ማዕከን ሓበሬታ ኣናዶሉ ጸብጺቡ። ግብጽን ሱዳንን ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ቀያዲ ስምምዕ ከይተገብረ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ማይ ከይትመልኦ ክሓታ ምጽንሐን ዝዝከር እዩ። እንተዀነ፡ ኢትዮጵያ ሕቶ እተን ሃገራት ዕሽሽ ብምባል ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ክልተ ዙር ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ከተሳልጥ እንከላ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ነሓሰ'ውን ሳልሳይ ዙር ምምላእ ማይ ንምክያድ ተዳልያ ኣላ። መራሕቲ ግብጽን ሶማልያን ኣብ ዝሃብዎ ብቐጥታዊ ፈነወ ተሌቪዥን ዝተመሓላለፈ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ምምላእ ማይን ቀጻሊ ስርሓትን እቲ ግድብ ብዝምልከት፡ ቀያዲ ስምምዕ ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ከምዝተሰማምዑ ኣልሲሲ ተዛሪቡ። “ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ተዘራሪብና ኣለና፤ ኣብ ዓለምለኻዊ ማያት ኣብ ዝካየዱ ፕሮጀክትታት፡ ብውልቀ ዝውሰዱ ፖሊሲታት ዘስዕብዎ ሓደጋ እውን ተዘራሪብና። ከምኡ'ውን ንዘተን ምኽክርን ተገዛኢ ኣብ ናይ ምዃን መትከል ሓሳብ ተለዋዊጥና” ኢሉ። ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ብወገኑ ኣብ ምምላእ ማይን ስርሓትን ግድብ ህዳሰ፡ ኣድላይነት ሕጋውን ቀያድን ስምምዕ ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ከምዝተሰማምዐ ምግላጹ ጋዜጣ ኣልኣህራም ጸብጺባ። ንዘበናት ብዘይገደብ ማይ ሩባ ኣባይ ክትጥቀም ዝጸንሐት ግብጺ፡ ግድብ ህዳሰ፡ መጠን እትረኽቦ ማይ ክቕንሶ እዩ ብዝብል ምስ ኢትዮጵያ ቀያዲ ስምምዕ ክትገብር እያ ትደሊ። ነዚ ንምፍጻም ካብ ሃገራት እቲ ዞባ ብተወሳኺ፡ ድጋፍ ሓያላት ሃገራት ንምርካብ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወሲዳቶ እያ። ኣብ መጀመርታ'ዚ ወርሒ ፕረዚደንት ኣልሲሲ፡ ኣብ ስዑድ ዓረብ ምብጻሕ ምስ ዘካየደ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ተራኺቡ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰን ካልእ ጉዳያትን ምዝርራቡ ዝዝከር እዩ። ኣልሲሲ፡ ምምላእ ማይን ቀጻሊ ስርሓት እቲ ግድብን ብዝምልከት፡ ጥቕሚ ማይ ግብጺ ብዘኽብር መልክዕ “ቀያዲ ሕጋዊ ስምምዕ ክግበር” ዘለዋ ጽኑዕ ቅዋም ንባይደን ከምዝገለጸሉ ቤት ጽሕፈቱ ኣፍሊጡ እዩ። ፕረዚደንት ባይደን ብወገኑ፡ ኣሜሪካ ውሕስነት ማይ ግብጺ ከምእትድግፍ፡ ከምኡ'ውን ንሰላምን ዕብየትን እቲ ዞባ ኣበርክቶ ዝገብርን ናይ ኵሎም ወገናት ረብሓ ዘኽብርን ፍታሕ ክርከብ ከምእትደልን ምግላጹ ተሓቢሩ። ኣብዚ ሰሙን ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ግብጽን ኢትዮጵያን ዑደት ዝገብር ኰይኑ፡ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ካብ ዝዘራረቡሎም ጉዳያት ሓደ ከምዝዀነ ተገሊጹ። መሓዛ ኢትዮጵያ ዝዀነ ፕረዚደንት ሶማልያ ነበር መሓመድ ዓብዱላሂ ፎርማጆ፡ ኣብ ዘበነ ስልጣኑ ምስ ግብጺ ዝነበሮ ርክብ ዝሕቱ ዝነበረ ኰይኑ፡ ሓድሸ ፕረዚደንት ሶማልያ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ግብጺ ዘካየዶ ምብጻሕ ነዚ ንምሕዳስ ከምዝኾነ እዩ ዝእመን። ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ መራሕቲ ሶማልያ ኣብቲ ኢትዮጵያን ግብጽን ዝሰሓሓባሉ ጉዳይ፡ ዕላዊ መግለጺ ካብ ምሃብ ተቘጢቦም ነይሮም እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምብጻሕ ከካይድ ትጽቢት ተገይሩሉ ዝነበረ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ምኽንያቱ ብዘይተፈለጠ ኵነታት ናብታ ሃገር ከይተጓዓዘ ተሪፉ ኣሎ። ብኣንጻሩ እቲ ፕረዚደንት ናብ ግብጺ ኣምሪሑ ምስ ኣልሲሲ'ዩ ተዘራሪቡ። እዞም ክልተ መራሕቲ ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቶም ብዛዕባ ዝሃብዎ ሓሳብ ዝምልከት ግን ብወገን ኢትዮጵያ ዛጊት ዝተባህለ ነገር የለን።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ce9jjg3d21po"} {"headline":"መንእሰያት ዓረብ፡ ስለምንታይ’ዮም ንጾታዊ ርክብ ዝሕግዝ መድሃኒት ብብዝሒ ዝጥቀሙ?","content":"መንእሰይ ኣል ሃባሺ ኣብ ማእከል ካይሮ፡ ባብ ኣ'ሻሪዓ ኣብ ዝበሃል ከባቢ፡ ንሱ ‘ትእምርታዊ ቀመም’ ኢሉ ዝጽውዖ መድሃኒት እናኣቃመመ’ዩ ዝሸይጥ። ኣል ሃባሺ፡ ‘ንጾታዊ ስምዒት ዘነቃቕሕ’ መድሃኒት’ዩ ዝሸይጥ፡ ንነብሱ ኸኣ ክኢላ ባህላዊ መድሃኒት ኢሉ’ዩ ዝጽውዓ። እንተኾነ ኣብ ድኳኑ ንሱ ዘቃመሞ መድሃኒት ጥራይ ኣይኮነን ዝሸይጥ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዘኻዕበቶ ተመኵሮ፡ ዓማዊሉ እንታይ ዓይነት መድሃኒት ዝያዳ ከም ዝጠልቡ ክፈልጥ ክኢሉ ኣሎ። ኣል ሃባሺ፡ “ዝበዝሑ መንእሰያት እተን ሰማያዊ ዝሕብረን ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝስርሓ ከኒናታት’ዮም ዝያዳ ዝጠልቡ” ይብል። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ሲልደናፉ [ኣብ ዕዳጋ ቪያግራ ተባሂሉ ዝጽዋዕ]፡ ቫርደፊን ከምኡ'ውን ታዳላፊል ተባሂሎም ዝጽውዑ ኣብ እዋን ጸታዊ ርክብ ዝሕግዙ ከኒናታት ዝጥቀሙ መንእሰያት ሃገራት ዓረብ፡ ቍጽሮም ይውስኽ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ይሕብሩ። ብኣንጻር እቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ግን፡ ቢቢሲ ኣብ ጐደናታት ግብጽን ባሕረይንን ንመንእሰያት ኣብ ዝሓተተሉ፡ እቶም መንእሰያት ንመትሎ ዘቕንዕ መድሃኒት ከም ዘይጥቀሙን፡ ብዛዕባኡ ከምዘይፈልጡን’ዮም ገሊጾም። ገለ ኸኣ “ኣንጻር ሞራል ሕብረተሰብ’ዩ” ብምባል ፈጺሞም ብዛዕባኡ ክዛረቡ ከም ዘይደልዩ ገሊጾም። እንተዀነ ብመሰረት ኣብ 2012 ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ካብ ኵለን ሃገራት ዓረብ፡ ግብጺ ጸረ ስንፈተ-ወሲብ ብምውሳድ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ክትስራዕ እንከላ፡ ስዑድ ዓረብ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዓ። ነቲ ጸብጻብ ዝሓተመቶ ኣ'ሪያድ ዝተበሃለት ጋዜጣ ስዑድ ዓረብ፡ ስዑዳውያን ዓመታዊ ንጾታዊ ርክብ ዝሕግዝ መድሃኒታት ንምሽማት 1.5 ቢልዮን ዶላር ከምዘህልኹ ኣብ ገጻታ ኣስፊራ። ስዑዳውያን ንጾታዊ ርክብ ዝሕግዝ መድሃኒታት ንምሽማት ዘህልኸዎ ገንዘብ፡ ምስቶም ብብዝሒ ህዝቢ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ዝዛይድዎም ሩስያውያን ክነጻጸር እንከሎ ብዓሰርተ ዕጽፊ ከም ዝዛይድ እታ ጋዜጣ ኣብ ገጻታ ኣስፊራ። ኣብ ቀረባ ብኣራብ ጆርናል ኦፍ ኤሮሎጂ ዝተገበረ መጽናዕቲ ከም ዘረጋገጾ፡ ካብቶም ንመጽናዕቲ ዝተሓረዩ ስዑዳውያን መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ፡ እቶም 40 ሚእታዊት ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ቪያግራ [ንጾታዊ ርክብ ዝሕግዝ ከኒና] ተጠቒሞም ከምዝፈልጡ ተኣሚኖም ይብል። ግብጻውያን’ውን ኣብ ሸመታ እዚ መድሃኒት ኣብ ቅድሚት’ዮም ዝስርዑ። ብመሰረት ኣብ 2021 ዝተገበረ መጽናዕቲ፡ ግብጺ ንስንፈተ-ወሲብ ዝሕግዝ መድሃኒታት ንምሽማት ዓመታዊ 127 ሚልዮን ዶላር ተህልኽ፡ እዚ ኸኣ ካብቲ ግብጺ ንመድሃኒት ንምሽማት ተውጽኦ ወጻኢታት 2.8 ሚእታዊት እዩ። ኣብ 2014 ኣብ ግብጺ ኣል ፋንኮሽ ዝብል ስም ዝተወሃቦ ንስንፈተ-ወሲብ ዝሕግዝ መድሃኒት ብመልክዕ ጣዕሚ ቸኮላታ ኣብ ዕዳጋታት ብብዝሒ ክረአ ጀሚሩ። ሓንቲ ኣል ፋንኮሽ ከኣ፡ ብሕሳብ ሓንቲ ፓውንድ ግብጺ [0.05 ዶላር] ትሽየጥ ነይራ። እቲ መድሃኒት ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ዝተወዓውዓሉ፡ ንህጻናት ከይተረፈ ይሽየጥ ኣሎ ተባሂሉ ካብ ዕዳጋ ደው ኢሉ፤ እቲ ዝምስርሖ ዝነበረ ሰብ’ውን ብኣካላት ጸጥታ ግብጺ ከም ዝተኣሰረ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን። ተጠቃምነት እዚ መድሃኒት ካብ ኣብ መንእሰያት ኣብ ዓበይቲ ዝያዳ ብምስጢር ከም ዝተሓዝ ይግለጽ። ኣብ የመን፡ ካብ መዝገብ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ብዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ዕድመኦም ካብ 20 ክሳብ 45 ዝዀኑ ብዝያዳ ንጾታዊ ርክብ ዝሕግዝ መድሃኒት ከም ዝገዝኡ የረድእ። ኣብ የመን ኣብ መንጐ ሑትን ብስዑድያ ዝድገፍ መንግስትን ኣብ 2015 ኵናት ሓድሕድ ካብ ዝጅመር፡ ኣብ መንእሰያት ተጠቃምነት ቪያግራን ስያሊስ ዝተበሃለ ካልእ ተመሳሳሊ መድሃኒትን ከም ዝሳዕረረ ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክቱ። ቱኒዝያዊ መሓመድ ስፋክሲ ፕሮፌሰር ስነተዋልዶን ስርዓተ መፍረን እዩ። ንሱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ እዚ ዝጥቀስ መድሃኒታት ፈጺሙ ‘ኣነቃቓሒ ኣይኮነን’ ብምባል፡ ንመብዛሕትኡ ስንፈተ-ወሲብ ብሳይንስ ዝተደገፈ ሕክምና ኣለዎ ይብል። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ክኢላታት እዚ ዓውዲ ግን፡ መንእሰያት ዓረብ ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዘሎ ዓቃባዊ ባህሊ ኣክንዲ ናብ ሕክምና ናብቲ ስትር ኢሎም ብቐረባ ክረኽብዎ ዝኽእሉ ‘ከኒና’ ከምዝጐዩ ይገልጹ። ግብጻዊት ብሪጣንያዊት ጋዜጠኛን ደራሲት ‘Sex and the Citadel’ ዘርእስታ መጽሓፍን ሸሪን ኢልፈኪ “እቲ ምኽንያት ናብቲ መንእሰያት ሃገራት ዓረብ ዝገጥሞም ዘሎ ዝዓበየ ጉዳይ’ዩ ዝመርሓና” ትብል። ሸሪን ኢልፈኪ፡ ነቲ ብ2017 ብሕቡራት ሃገራት ንጾታዊ ማዕርነት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣመልኪቱ ዝተገበረ መጽናዕቲ ምርኩስ ብምግባር፡ “ዳርጋ ኵሎም እቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ደቂ ተባዕትዮ ብዛዕባ መጻኢኦም ፍርሒ ኣለዎም፡ ንሓድሕዶም ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣዕሚቘም’ዮም ዝዝትዩ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብወገነን ደቂ ተባዕትዮ ድሕሪ ሕጂ ሰብኡት ክዀኑ ከምዘይክእሉ’የን ዝገልጻ” ትብል። ኣስዒባ፡ “ስለዚ ሰብኣይ ምዃንካ ንኸተእምን ናብ ካልእ ጸቕጢ’ዩ ዘምርሕ ዘሎ። እዚ ኸኣ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ርእሱ ዝኸኣለ ኣሉታዊ ጽልዋ’ዩ ዘለዎ” ብምባል ግብረ ጽዩፍ ምዕዛብ’ውን ናቱ ባህርያዊ ጽልዋ ከም ዝፈጥረሎም ተብርህ። ንስንፈተ-ወሲብ ብዝምልከት ሓገዛት ምርካብ ገለ ገለ ስድራቤታት ሃገራት ዓረብ ናብ ሕክምና ክኸዱ ይርኣዩ’ዮም። እንተኾነ ኣብ ታሪኽ መብዛሕትአን ሃገራት ዓረብ ተጠቃምነት ባህላዊ መድሃኒት ኣዝዩ ግኑን’ዩ። ኣብ ታሪኽ’ውን ነዊሕ ሱር ዘለዎ’ዩ። ኢቢን ቃይም ኣ'ጀውዝያ ኣብ 14 ክፈል ዘመን ዝነበረ ዓረባዊ ምሁሩን ጸሓፍን’ዩ። ኢቢን ቃይም ኣ'ጀውዝያ፡ ኣብ መጻሕፉ ንወሲብ ዝሕዝግ ዝበሎ ባህላዊ መድሃኒት ዘርዚሩ ኣቐሚጥዎ ኣሎ። ሸሪን ኢልፈኪ፡ ባህሊ ዓረብን እስላማዊ ትውፊትን፡ “ደቂ ኣንስትዮ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ዓቕምን ድሌትን ጾታዊ ርክብ ኣለወን ተባሂሉ’ዩ ዝእመን” ትብል። ካብዚ ብምብጋስ  “ደቂ ተባዕትዮ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ብቑዓት ንክኾኑ ገለ ነገር ክገብሩ ከም ዘለዎም’ዮም ዝሓስቡ” እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ እዋን ግዝኣት ኦትማን [ቅድሚ 500 ዓመታት] ዝያዳ ይንጸባረቕ ከም ዝነበረ’ውን ይንገር’ዩ። ኣብቲ እዋን ዝነበረ ኣሕመድ ቢን ሱለይማን ዝተበሃለ ፍሉጥ ጸሓፊ፡ ንጾታዊ ዕግበት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝሕግዝ ዝበሎ ባህላዊ መድሃኒታት ኣብ መጻሕፍቱ ኣስፊሑ ጽሒፉ ነይሩ። ሕጂ ድሕሪ ኣማኢት ዓመታት ከኣ መንስያት ሃገራት ዓረብ ንመጻሕፍቱ ገናጺሎም፡ ሽሙ እናረቑሑ ዕዳጋኦም የሰስኑ ኣለዉ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cpdn7x1xz1po"} {"headline":"ሶማልያ፡ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ምስ ግብፂ ከምዘይወገነት ገሊፃ","content":"ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማልያ፡ ኢትዮጵያ ትሃንጾ ዘላ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ንግብጺ ዝውግን ርእይቶ ከምዘይሃበ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ። መንግስቲ ሶማልያ፡ ነዚ ዝበለ ፕረዚደንት እታ ሃገር ሓሰን ሸኽ መሓመድ ምስ ግብጻዊ መዘንኡ ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲ፡ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ብዛዕባ’ቲ ግድብ ተዘራሪቦም፡ ምባሉ ስዒቡ ’ዩ። ወሃቢቃል ፕረዚደንት ሶማልያ ዓብዲካሪን ዓሊ ካር፡ \"ፕረዚደንት ግብጽን ሶማልያን ብዛዕባ ህንጸትን ምምላእን እቲ ግድብ ዝኾነ ወግዓዊ መርገጺ ኣይገለጹን\" ኢሉ። ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ግብጺ ምብጻሕ ድሕሪ ምግባሩ፡ ምስ ፕረዚደንት ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲ ብዛዕባ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ከምዝተዘራረቡ ብሰፊሑ ተገሊጹ ነይሩ። ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝሃብዎ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፡ኣብ ዙርያ ዓለም ለኻዊ ሩባታት ዝካየዱ ፕሮጀክትታት \"ሓደገኛ በይናዊ ፖሊሲታት\" ኣመልኪቶም ከምዝመኸሩ ጸብጻበት ይሕብሩ። ኣብ’ቲ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ግብጺ፡ ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት “ንበይና ዝወሰደቶ ስጉምቲ ኣሉታዊ ሳዕቤን ከምዘለዎ\" ከምዝገለጸ ማዕከን ዜና ኣናዶሉ ሓቢሩ። ግብጻዊ ጋዜጣ ኣልኣህራም ብወገኑ፡ ኣብ’ቲ ሓባራዊ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓሙድ፡ ኣብ ምምላእን ኣሰራርሓን ግድብ ህዳሰ ኣብ ሕጋውን ቀያድን ስምምዕ ምብጻሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ምስ ኣልሲሲ ከምዝተሰማምዑ ሓቢሩ። ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ሶማልያ ኣቶ ዓብዲካሪን ዓሊ ካር ግን፡ ሶማልያ ኣብዚ ጉዳይ ዘለዋ መርገጺ፡ ንኣጠቓቕማ ሩባ ኣባይ ዝምልከት ዓለማዊ ሕግታት ከምእትድግፍ ገሊጹ። እቲ ወሃቢ ቃል፡ ኣብ'ቲ ናይ ካይሮ ሓባራዊ መግለፂ፡ ፕረዚደንት ሶማልያ፡ እታ ሃገር ኣብቲ ግድብ ዘለዋ መርገጺ ዘንጸባርቕ መደረ ከምዘየስመዐ እዩ ሓቢሩ። ግብጽን ሱዳንን፡ ምስ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ተዛሚዱ፡ ብዘይ ሕጋውን ቀያድን ስምምዕነት፡ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ክፍፀም ከምዘይብሉ ኣትሪረን ክገልጻ ምጽነሐን ዝዝከር እዩ። ይኹን እምበር፡ ኢትዮጵያ ንሕቶ ክልቲአን ሃገራት ኣይተቕበሎን። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኽልተ ዙር ማይ ከምዝመልአት ኣፍሊጣ እያ፣ ኣብ መጻኢ ወርሒ ነሓሰ ድማ ሳልሳይ ዙር ንምምላእ ትዳሎ ከምዘላ ይዝረብ። ኣብ’ዚ ዓመት፡ ሓንቲ ካብተን 13 ሓይሊ ዘመንጭዋ ተርባይናት'ቲ ግድብ፡ ናብ ስራሕ ብምእታው ናይ ፈተነ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምፍራይ ጀሚራ ኣላ። ግብፂ፡ እቲ ህንጻቱ ዝዛዘም ዘሎ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ፣ ነቲ ንዘመናት ብዘይገደብ ክትጥቀመሉ ዝጸንሐት መጠን ማይ ከምዘጉድሎ ብምግላጽ፡ ምስ ኢትዮጵያ ንኣተሓሕዛን ምሕደራን ማይ ብዝምልከት ቀያዲ ስምምዕ ክትፍርም ትደሊ። ግብፂ ነዚ ዕላማ ንምዕዋት፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ፀቕጢ ትገብር ኣላ። በዚ ድማ ነቲ ጉዳይ ናብ ባይቶ ጸጥታ ወሲዳ፡ ድጋፍ ሓያላት ሃገራት ሓቲታ ኣላ። ምስ ኢትዮጵያ ነዊሕ ዶብ እትዋሰንን፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ዕግርግር ዝጸንሐት ሶማልያ ድማ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣባል ብዝኾነሉ ዓቃቢሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ እትድገፍ እያ። እቲ ኣብ ዘመነ ፕረዚደንት ነበር መሓመድ ዓብደላሂ ፋርማጆ፡ ሶማልያ  ምስ ግብፂ ዝነበራ ርክብ ዝሕቱል እንትኸውን፡ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ካይሮ ዝተገበረ ዑደት ነዚ ርክብ ንምሕዳስ ከምዝኾነ ይእመን።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cnemyy8y4zeo"} {"headline":"ግብጺ ግድብ ሕዳሰ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምምንጫው ምጅማሩ ተቓዊማ","content":"ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ግብጺ፡ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምምንጫው ድሕሪ ምጅማሩ ንስምምዓት መትከል ዝጥሓሰ'ዩ ክብል ተቓዊሙ። እቲ ሚኒስትሪ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ካብቲ ግድብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምምንጫው ምጅማራ ምስ ግብጽን ሱዳንን ዝበጽሐቶም ስምምዓት ዝጥሕስ ከም ዝኾነ ኣብሪሁ። እዚ ንዝሓለፉ 11 ዓመታት ንሰለስቲአን ሃገራት ከካትዕ ዝጸንሐ ግድብ ትማሊ ሓይሊ ምምንጫው ከም ዝጀመረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ። ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ 13 ተርባይነት ዘለዎ ኮይኑ፡ ትማሊ እቲ ሓደ 375 ሜጋ ዋት ሓይሊ ከመንጩ ከም ዝጀመረ ተሓቢሩ። ኩሎም ተርባይናት ናብ ስራሕ ምስተሰጋገሩ ኢትዮጵያ 5 ሽሕን 150 ሜጋዋት ከተመንጩ ትጽቢት ይግበር። ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ግብጺ ቐዳማይን ካልኣይን ዙርያ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ኮነ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምምንጫው \"በይንኣዊ\" ክብል ነቒፉ ኣሎ። \" . . . እዚ ውሳነ ኢትዮጵያ ብቐዳማይ ሚኒስትራ ኣቢላ ብ2007 ዝፈረመቶም ስምምዓት መትከል መሰረት ገይሩ ዝተዋህባ ግቡእ ከም ዝጥሓሰት ግብጺ ተረጋግጽ\" ይብል። ነዚ ኣመልኪቱ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ብሸነኽ ሱዳን ዝተዋህበ መግለጺ የለን። ሰለስቲአን ሃገራት ኣጠቓቕማ ሩባ ኒል መሰረት ብምግባር ብ2015 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ሓሙሽተ መትከላት ሓበራዊ ስምምዕ ዝፈረማ ኮይነን፡ እዞም ስምምዓት ምትሕብባር፣ ዓብዪ ጉድኣት ዘይምብጻሕን ሓበሬታ ናይ ምልውዋጥን ዝብሉ ዝሓዙ'ዮም። በዚ መሰረት ኣብ ዙርያ ምምላእን ኦፕሬሽንን እቲ ግድብ ዝፍጠር ዘይምርድዳእ እንተሃልዩ ኣብ ሰናይ መትከል ተደሪኹ ብዘተ ወይ ድርድር ይፍታሕ ይብል። እንተኾነ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዙርያ እቲ ግድብ ክሰማምዓ ብዘይምኽኣለን እቲ ጉዳይ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ወሲደንኦ እየን። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ትማሊ ምምንጫው ሓይሊ ኤሌክትሪክ እቲ ግድብ ከጀምር እንከሎ \"ድልየት ኢትዮጵያ ሓይሊ ብምምንጫው ንጎረባብቲ ሃገራት ምጥቃም፣ እቲ ማይ'ውን ናብ ግብጽን ሱዳንን ምልኣኽ ኣይኮነን\" ዝበለ ኮይኑ \"60 ሚኢታዊት ድልየት ኢትዮጵያ ነቲ ብጸልማት ዝሳቐ፣ ዕንጸይቲ ተሰኪመን ጽዓት ዝፈጥራ ኣዴታት ምሕጋዝን ካብ ድኽነት ምውጻእን'ዩ\" ኢሉ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60452888"} {"headline":"ፌልትማን፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንምዝታይ ናብ ኤሜሬትስ፣ ቱርክን ግብጽን ከምርሕ እዩ","content":"ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ዝኾነ አምባሳደር ጄፍሪ ፌልትማን ፌልትማን፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንምዝታይ ናብ ሃገራት ኤሜሬትስ፣ ቱርክን ግብጽን ከምርሕ እዩ ተባሂሉ። ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራስ፡ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኣምባሰር ናብተን ዝተረቑሓ ሃገራት ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ክጓዓዝ እዩ። \"እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ጎንጺ ንሰላምን ድሕነትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዘርግ ጠንቂ ምዃኑ ንርዳእ ኢና\" ዝበለ ኔድ ፕራይስ፡ ፌልትማን ናብተን ሃገራት ተጓዒዙ ክዝቲ ምዃኑ ተዛሪቡ። ኔድ ፕራይስ መንግስቲ ኣመሪካ ነዚ ዝካየድ ዘሎ ጎንጺ ወተሃደራዊ ፍታሕ ኣለዎ ኢሉ ከምዘይኣምን ብመንዝኽካር፡ እቲ ናይ መወዳእታ ፍታሕ እቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ተኹሲ ጠጠው ኣቢሎም ኣፈላላዮም ብዘተ ክፈትሑ ምግባር እዩ ኢሉ። ፌልትማ፤ ንመወዳእታ ግዜ ናብ ኢትዮጵያ ዝተጉዓዘ፡ ሓይልታት ትግራይ ንደሴን ኮምቦልቻን ሓዊሱ ብዙሓት ከተማታት ኣምሓራ ተቖጻጺሮም ኣዲስ ኣበባ ንምእታዉ ድሌት ከምዘለዎም ኣብ ዝገለጽሉ እዋን እዩ ነይሩ። ቅድሚ ሰለስተ ሰሙናት ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ጻንሒት ወዲኡ ኣብ ዝተመልሰሉ እዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ድሌት ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣቢይ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምውጻእ ምዃኑ ነጊሩኒ ኢሉ። \"ምክልኻል ሓይልታት ትግራይ ናብ ሰሜን ደፊእካ ናብ ትግራይ ክምለስ ከምዝኽእል ተኣማሚኑ እዩ ዘሎ። እንተኾነ ኣብዚ ዓርሰ-እምነቱ ጥርጣረ ኣለኒ። ኣብ ወርሒ ሰነ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንትግራይ ለቒቑ ክወጽእ እንከሎ ጀሚሩ ዘሎ ካርታ እንትርኢ፡ ኣብዚ ጉዳይ ጥርጣረ ኣለኒ\" ኢሉ ነይሩ ፌልትማን። ቀጻሊ ጉዕዞ ፌልትማን ኣምባሳደር ፌልትማን ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንምዝርራብ ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ሃገራት ከዘራርብ ንፈለማ እዋኑ ኣይኮነን። ቅድሚ ሕዚ'ውን ናብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ናብ ገለ ሃገራት ማእከላይ ምብራቅን ተጓዒዙ ዘትዩ ነይሩ እዩ። ንሱ፡ ካብ 26 ሚያዝያ ክሳብ 4 ግንቦት 2013 ዓ.ም [ብኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳይ ናብ ሃገራት ሱዳን፣ኬንያ፣ ኤርትራን ግብጽን ኣምሪሑ ነይሩ'ዩ። ኣብ ወርሒ ግንቦት ድማ፡ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰን ኣብ ካልኦት ዛዕባታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ንምዝርራብ ብዝብል ናብ ቐጠር፣ ሳዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኬንያን ተጓዒዙ ምንባሩ ዝዝከር እኡ። ቱርኪ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ግብጽን መራሕቲ ትግራይ፡ ቱርክን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ወተሃደራዊ ኣጽዋራት ንመንግስቲ የቐብላ ኣለዋ ብዝብል ይኸሱ ኣለዉ። መንግስቲ ቱርኪ፡ ነቲ ክሲ'ኳ እንተነጸገ፡ \"ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኩሉ ዓይነት ድጋፍ ክገብር ይኽእል እየ\" ምባሉ ዝዝከር እዩ። ብተወሳኺ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ነሐሰ 2013 ዓ.ም [ብኣቆጻጽራ ግእዝ] ብፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ታይፕ ኤርዶሃን ብዝቐረበሉ ዕድመ ናብ ኣንካራ ኣመሪሑ፡ ምስ መንግስቲ ቱርኪ ወተሃደራውን ፋይናንሳውን ስምምዓት ገይሩ ምምላሱ ዝዝከር እዩ። ፌልትማን ኣብ ካይሮ ዝህልዎ ጻንሒት ኢትዮጵያ ምስ ግብጺ ናብ ጎንጺ ዘእተዋ ኣብ ህንጸት ዝርከብ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ ንምዝርራብ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59544755"} {"headline":"ኣፍኮን 2021፡ ግብጺ ንካሜሮን ብምስዓር ናብ ፍጻመ ዋንጫ ኣፍሪቃ ሓሊፋ","content":"ትማሊ ግብጽን ካሜሮንን ኣብ ዝገበረኦ ግጥም ኵዕሶ እግሪ፡ ሓላዊ ልዳት ግብጺ ጋባስኪ ክልተ ፍጹም ቅልዓት ካሜሮን ብምድሓን ንሃገራዊት ጋንትኡ ናብ ፍጻመ ኣሕሊፍዋ። ነቲ ውጽኢት ስዒቡ ግብጺ ምስታ ብቅድሚ ትማሊ ንቡርኪናፋሶ 3 ብ 1 ዝሰዓረት ሰኔጋል ኣብ ናይ ፍጻመ ጸወታ ክትራኸብ’ያ። ግብጺዶ ሰኔጋል? ማነዶ ሳላሕ? ዝብል ሕቶ ኸኣ ንልቢ ብዙሓት ኣፍቀርቲ ኵዕሶ እግሪ ኣንጠልጢሉ ኣሎ። እዞም ክልተ ኣጥቃዕቲ እንግሊዛዊት ጋንታ ሊቨርፑል ዝኾኑ ማነን ሳላሕን ንሓድሕዶም ዝገብርዎ ግጥም ሰንበት ኣብ ርእሰ ከተማ ያውንደ ኣብ ዝርከብ ስታድዮም ኦለመ ክካየድ’ዩ። ኣአንጋዲት እዚ ውድድር ካሜሮን ትማሊ ኣንጻር ግብጺ ዝገበረቶ ጸወታ ኣብ መጀመርታ ዓብላሊ ጸወታ’ኳ እንተኣርኣየት ናብ ሸቶ ዝቕየር ፈተነ ግን ኣየርኣየትን። ጸወታ 90 ደቒቕ 0 ን 0 ወዲአን ናብ ተወሳኺ 30 ደቂቕ ዘምርሓ ግብጽን ካሜሮንን ኣብ 30 ደቒቕ’ውን ሸቶ ክምዝገብ ስለዘይክኣለ ናብ ፍጹም ቅላዕ ኣምሪሐን። ናብ ፍጹም ቅላዕ ኣብ ዘምርሓሉ ከኣ ሓላዊ ልዳት ግብጺ ንቅላዓት ሀሮልድ ማኡኮዱን ጅምስ ልያ ሲሊክን ከድሕነን ኪኢሉ። ክሊንተን ንጀ ዝቐልዓ ኩዕሶ ኸኣ ብየማን ዓንዲ ልዳት ተጎዝጊዛ ንደገ ስለዝወጽአን እታ ሰለስተ ሸቶታት ዘመዝገብት ግብጺ ንኣንጋዲት ሃገር ሃገር ካሜሮን 3 ን 1 ስዒራ ናብ ፍጻመ ክትሓልፍ በቒዓ። በዚ መሰረት ኣአንጋዲት እዚ ግጥም ሃገረ ካሜሮንን ቡርከሊናፋሶን ንሳልሳይ ደረጃ መን ሓዘ ቀዳም ክገጥማ እየን።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60256478"} {"headline":"ግብጺ፡ 21 ሃገራት ዝሳተፋሉ ቅድድም ብሽክለታ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ሎሚ ጀሚሩ","content":"ኣብ ግብጺ ከተማ ሻርም ኣልሸክ፡ ሎሚ ዝፈለመ ቅድድም ብሽክለታ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 21 ሃገራት ኣፍሪቃ ይሳተፈኦ ኣለዋ። ኣብቲ ንሓሙሽተ መዓልታት ዝካየድ ዓቢ ኣፍሪቃዊ ውድድር ሃገራውያን ጋንታታት ግብጺ፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሞሮኮ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ርዋንዳ፣ ሞሪሽየስ፣ ቡርኪናፋሶ፣ ኣልጀርያ፣ ኣንጎላ፣ በኒን፣ ኡጋንዳ፣ ኒጀር፣ ጊኒ ቢሳው፣ ኢስዋቲኒን ቱኒዝያን ዝርከብኣን 21 ሃገራት ክሳተፋ እየን። ብኣሰልጠንቲ ሳምሶም ሰሎሙን፣ ዮናስ ዘካርያስን ዮሴፍ ተኽላይን ትእለ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብሓፈሻ 21 ተቐዳደምቲ ሒዛ'ያ ኣብዚ ውድድር ክትሳተፍ። ኣብ ናይ ሲንየርን ትሕቲ 23 ዓመት፡ ሚኪኤል ሃብቶም፣ ኣኽሊሉ ገብረሂወት፣ ኣማኒኤል መሓሪ፣ ጴጥሮስ መንግስ፣ ሳምሶም ሃብተ፣ ጳውሎስ ገብረሚካኤል፣ ዳዊት የማነን ሄኖክ ሙሉብርሃንን ኣለዉ። ኣብ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ፡ ዮናስ ተኪኤ፣ ኤቨን ረዳኢ፣ ኣኽሊሉ ኣረፋይነን ዮኤል ሃብተኣብን ክሳተፉ እንከለው፡ ኣብ ሲንየር ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣድያም ዳዊት፡ ዳናይት ፍጹም፡ ፌቨን ሃይለ፡ ሚለና ፋፌትን ሞናሊዛ ኣርኣያን ክሳተፋ እየን። ኣብ ጁንየር ደቂ ኣንስትዮ ድማ፡ ሳሮን ተኪኤ፡ ሮማና ጉዕሽ፡ ፊልማዊት ተኽሉን ራሄል ዘርእሰናይን ክሳተፋ እየን። ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብወገና ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ሲንየርን ትሕቲ 23 ዓመትን ንኣብርሃ ነጋሲ፡ ዓብዲ ዓብዲረዛቕን ሮጎባ ኣዪካን ከተሰልፍ እያ። ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኢልትን ትሕቲ 23 ዓመትን ከኣ ሰብለወርቅ ኣያለ፡ ሃና ኣበበን ሃናማርያም ሃይለን ከተሳትፍ እያ። ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ'ውን ብሰሎሙን ሞክርያን ደጋጋ ጃኖን ክትውከል እንከላ ኣብ ናይ ጁንየር ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ጽገ ይገዙን ዲሳሳ ቀኖን ክውክላኣ እየን። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ 2019 ኣብ ባህርዳር ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ውድድር ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ብመንገዲ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ነፍስሄር ደሴት ኪዳነ፡ መኽሰብ ደበሳይን ሞሳና ደበሳይን ንኣርባዕቲኡ ወርቂ መዳልያታት ከም ዝሓፈሰቶ ዝዝከር እዩ። ብዘይካ እዚ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናይ ዓመተ 2021 ዝበለጸት ኣፍሪቃዊት ሃገራዊት ጋንታ ክትብሃል እንከላ፡ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ'ውን ብተመሳሳሊ ዝበለጸ ኣፍሪቃ ተቐዳዳማይ ዓመተ 2021 ምስያሙ ይዝከር። መደብ ጸወታ","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60844640"} {"headline":"ኣፍኮን 2021፡ ሰኔጋል ተዓዋቲት ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኮይና","content":"ትማሊ ግብጽን ሰኔጋል ኣብ ዘካየደኦ ናይ ፍጻመ ጸወታ 90 ደቃይቕ ብዘይሸቶ እዩ ተወሲደኡ። ኣብ ተወሳኺ 30 ደቓይቕ'ውን ክልቲአን ጋንታታት ሸቶ ብዘይምምዝጋበን ናብ ፍጹም ቅላዕ ኣምሪሐን። ኣብዚ ሰኔጋል 4 ን 2 ብምስዓር ንመጀመርታ ግዜ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ተዓዊታ። ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋልን ሊቨርፑልን ሳዲዮ ማኔ ጸወታ 7 ደቂቕ ጥራይ ምስ ተላዕሎ ንዝረኸባ ፍጽም ቅላዕ ሓላዊ ልዳት ግብጺ ጋባሳኪ ከድሕና ብምኽኣሉ ሰኔጋል ወርቃዊ ዕድል ኣባኺና ኢያ። ግብጽን ሰኔጋልን ኣብ ዘካየደኦ 120 ደቓይቅ ዝወሰደ ጸወታ ሰኔጋል 8 ግብጺ 3 ግዜ'ኳ ኣብ ውሽጢ ልዳት ፈተነ እንተኣካየዳ ሓላዊ ልዳት ሰኔጋል ኢድዋርድ መንዲን ሓላዊ ልዳት ግብጺ ጋባሳኪን ብውሕሉል ክእለቶም ከሕልፍወን ኣይክኣሉን። ግጥም ሰኔጋልን ግብጽን፡ ግጥም ኣጥቃዕቲ ሊቨርፑል ዝኾኑ ሰኔጋላዊ ሳዲዮ ማኔን ግብጻዊ መሓመድ ሳላሕ'ዩ እናተባህለ ክግለጽ ቀኒዩ። እታ ኣብ ታሪኻ ክልተ ግዜ (ኣብ 2002 ከምኡ'ውን 2019) ኣብ ፍጻመ ዝተሰዓረት ሰኔጋል እዛ ናይ ሎም ዘመን ጸወታ ቀዳዊታ ኮይና ቀዳመይቲ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ናብ ከብሓ ክትደቕል ክኢላ ኣላ። እታ ቅድሚ ሕጂ ንዋንጫ ኣፍሪቃ ሸውዓተ ግዜ ብምዕዋት ክብረ ወሰን ሒዛ ትርከብ ሃገራዊት ጋንታ ግብጺ ኸኣ ናይ ገዛእ ርእሳ ክብረ ወሰን ከተማሓይሽ ትኽእለሉ ዝነበረት ዕድል ክብርዕና እንከሎ፡ መሓመድ ሳላሕ ኸኣ ናይ መጀመርታ ኣህጉራዊ ዓወት ካብ ምምዝጋብ ተኾሊፉ። ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል ኦልዮን ሲሰ ድሕሪ ዓወት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል \"እዚ እንተጸዒርካን እንተተጸሚምካን ዝደለኻዮ ከም ትረክብ ዘርኣናሉ ጸወታ'ዩ ነይሩ\" ኢሉ። ወሲኹ፡ \"ኣዝየ ተሓጒሰ ኣለኹ፤ ህዝቢ ሰኔጋል ነዛ ዓወት እዚኣ ን60 ዓመታት'ዩ ተጸብይዋ\" ኢሉ። ኦልዮን ሲሰ፡ ሰኔጋል ኣብ 2002 ኣብ ፍጻመ ኣብ ዝተሰዓረትሉ ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል ዝነበረ ኮይኑ፡ እቲ ሽዕኡ ዝኸሰሮ ዕድሉን ዕድል ሃገሩን ሕጂ ኣሰልጣኒ ኮይኑ ብዘመዝገቦ ዓወት ክርስርሰሉን ንህዝቡ ክኽሕሰሉን ክኢሉ ኣሎ። እታ ንከም ኣይቬሪኮስትን ካሜሮንን ገሊፋ ናብ ፍጻመ ዝብጽሐት ግብጺ ኣብ ሰኔጋል ምስ ብጽሐት ኣብራኻ ወለል ኢሉ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ግጥማት 4 ፍጹም ቅላዓት ዘድሓነ ወዲ 33 ዓመት ጋባስኪ ትማሊ'ውን ሓንቲ ቅላዕ ከድሕን ክኢሉ እዩ። ተጻወትቲ ግብጺ ክልተ ሸቶታት ብምስሓቶም ግን ዋንጫ ካብ ምውሳድ ቦኲራ። ሃገራውያን ጋንታታት ግብጽን ሰኔጋልን ኣብ ቐጠር ንዝካየድ ዋንጫ ዓለም 2022፡ መን ሓለፈ ኣብ ቀረባ ግዜ ክልተ እግሪ ጸወታ ስለ ዝህልወን፡ ግብጺ ሕኒኣ ትፈድየሉ ሰኔጋል ኸኣ ዓብላልነታ ተርእየሉ ጸወታ ክህልወን'ዩ። እዚ ሎሚ ዓመት ካብ ጥሪ 9 ጀሚሩ ክሳብ 6 ለካቲት ኣብ ካሜሮን ዝተኻየደ መበል 33 ዋንጫ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ኳ ክካየድ እንተነበሮ ብሰንኪ ስግኣት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ሎሚ ዓመት ተሰጋጊሩ ክካየድ ክኢሉ። መበል 34 ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ሃገረ ኣይቬሪኮስት ካብ ሰነ ክሳብ ሓምለ 2023 ክካየድ ውጥን ተታሒዙሉ ኣሎ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60284660"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ዲጂታላዊ ትምህርቲ ክሰፍሕ ዝሰርሕ ፕሮጀክት","content":"ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸው እንከለው፡ መምሃራን ተመሃሮኦም ዝመሃሩሎም ናውታት ማሕበራዊ ናይ መልእኽቲ መለዋወጢ መተግበሪታት ተጠቒሞም ናብ ስድራቤታት ክልእኹ ጀሚሮም። ይኹን'ምበር መብዛሕትኦም ስድራቤታት ዲጂታላዊ ኣቑሑትን ብርሕቐት ንምምሃር ዝሕግዙ ናውታትትን ዘይብሎም ስለ ዝኾኑ ምቹእነት ኣይነበሮን። \"ብዙሓት ቆልዑ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ገሊኦም ንሓደ ዓመት ዝኣክል፡ ከይተመሃሩ ኣብ ገዛ ከፍ ኢሎም፡ \" ትብል ኣብ ኢትዮጵያ ኣሰልጣኒት መምሃራን እንቁ። እቲ ለበዳ፡ ኣብ ዓለም ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ክፍተት ስርዓት ትምህርትን መሓውርን ክቃላዕ ገይሩ እዩ። ሚሊዮናት ተመሃሮ፡ ብቐንዱ እቶም ሕጽረት ዲጂታላዊ ክእለት ዘለዎም ህጻናትን መናእሰይን ትምህርቲ ምስ ተዓጸወ ተገዲቦም እዮም። በዚ ምኽንያት ብዙሓት ህጻናት ኣፍሪቃ ካብ 2020 ጀሚሩ ኣብያተ ትምህርቲ ምስ ተዓጸዋ ትምህርቲ ዝብሃል ኣይረኸቡን። ገሊአን ኣብያተ ትምህርቲ እቲ ናይ ርሕቐት ትምህርቲ እውን ክህባ ኣይክኣላን። እተን ክህባ ዝኽእላ ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ተመሃሮአን ወይ መምሃራነን ሕጽረት ናውታት፣ ኢንተርነትን እኹል ክእለትን ከም ዘለዎም ተገንዚበን። ክፍተት ዲጂታላዊ ትምህርቲ፡ ነቲ ኣብቲ ኣህጉር ኣቐዲሙ ዝነበረ ዘይምዕሩይ ተበጻሕነት ትምህርቲ ኣዐርዩ ክጋደድ ዝገበረ ኮይኑ፡ ዓቕሚ ዘለዎም ተመሃሮ ጥራይ ኣብ ትምህርቶም ክቕጽሉን ካልኦት ድማ ዕድል ክረኽቡ እንከለው ምስ ዝኣረገ መጽሓፍ ወይ ኣማራጺ ምስኣን ክቃለሱን ገይሩ እዩ። \"ቅድሚ ኮሮናቫይረስ 'ብዲጂታላዊ መገዲ ከመይ ኣቢልና ክንመሃር ንኽእል?' ዝብል ንሓስበሉ ነይርና\" ይብል ኣብ ኢትዮጵያ መምህር ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዝኾነ ዝናቡ።. ኣብ ወርሒ መስከረም 2020 ብዝተፈላለየ ፕሮጀክት ዓለምለኻዊ ኩባኒያ ቴክኖሎጂ ሁዋዌ ምስ ዩኔስኮን መንግስትን ብምትሕብባር ናይ ኦንላይን ትምህርቲ ኣብ ምሕጋዝን ክእለት ኣብ ምህናጽን ይነጥፍ ኣሎ። እዚ ፕሮጀክት ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ማለት ግብጺ፣ ኢትዮጵያን ጋናን ተጀሚሩ ይስርሓሉ ኣሎ። እዚ ፕሮጀክት ቴክኖሎጂ ተጠቒሙ እተን ሃገራት ተጻዋራይ፣ መጻኢ ዝእምት ስርዓት ትምህርቲ ክህልወን፣ ዲጂታላዊ ቤተ ንብባ ክህልወን፣ ተመሃሮ ዲጂታላዊ መተግበሪታት ከመይ ክጥቀሙ ይኽእሉ ዝብልን መምሃራንን ክኢላታት ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጅን የሰልጥን ኣሎ። እዚ፡ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዲጂታላዊ ስግግር ክመጽእ ዝሕግዝ ኮይኑ መስርሕ ምምሃር ምስትምሃር ክፉትን ንኹሉ ተበጻሕን ንክኸውን፡ ዝኾነ ቅልውላው ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ኩሉ ናይ ትምህርቲ መሰል ክረኽብ ምኽኣሉ ንምርግጋጽ ዘኽእል ክኽውን እዩ። ኣብ ግብጺ፡ እቲ ትኹረት ኣብ መምሃራን ኮይኑ ካብ 20 ክሳብ 40 ክኢላታት ዲጂታላዊ ትምህርትን መምሃራን 1000 መባእታውን ካልኣይን ብርኪ ስልጠና ይወሃቦም ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ድማ እቲ ስልጠና ን12 ሽሕ መምሃራንን ተመሃሮን 9ይን 10ይን ክፍሊ 24 ኣብያተ ትምህርቲ ክወሃብ እዩ። ኣብ ጋና ክኣ እቲ ትኹረት ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ዘለው መምሃራን ተምሃሮን ተበጻሕቲ ምግባር ኮይኑ 10 ኣብያተ ትምህርትን 1300 ተመሃሮን መምሃራንን ዝሸፈነ ክኸውን እዩ። እዚ ፕሮጀክት ንኹሎም ዓይነታት ትምህርቲ ዲጂታለዊ ትሕዝቶ ዝፈጥር ኮይኑ መምሃራን ዝኾነ ትሕዝቶ ዝሰቕልሉ ተመሃሮ ድማ ነዚ ኣብ ኦንላይን ይኹኑ ካብ ኢንላይን ወጻእ ክጥቀምሉ ዝኽእሉ እዩ። እዚ ፕሮጀክት ኣብ ትሕቲ #ቴክ4ኤጁኬሽን ዝተባህለ ፕሮግራም ሁዋዌ፡ #ቴክ4ኦል ኮይኑ ኣብ ዓለም ዘሎ ዲጂታላዊ ምክፍፋል ንምጽባብን ጽፉፍን ማዕርነታውን ትምህርቲ ንክህሉ ዝሰርሕ ዓለምለኻዊ ፕሮጀክት እዩ። ቴክ4ኦል፡ ዋላ ሓደ ሰብ ንድሕሪት ክተርፍ የብሉን ዝብል ቀሊል ልኡኽ ከዐውት ይደሊ። ብተወሳኺ እቲ ፕሮጀክት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሓዞት ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ምርግጋጽ ጽርየት ትምህርቲ ንምዕዋት እውን ይሰርሕ። \"ኣብያተ ትምህርቲ ንምርኻብ፣ ኣብ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂ፣ ኢንጅነሪንግን ሕሳብን ዘለው ዲጂታላዊ ትምህርታት ንምሕጋዝን ተመሃሮን መምሃራንን ንምስልጣን ቴክኖሎጂ ኣገዳሲ እዩ። ብተወሳኺ ቴክኖሎጂ ንድሕሪት ክተርፉ ዝኽእሉ ሰባት ንምትብባዕን ንምምጻእን ይሕግዝ\" ይብል ሓላፊ ማርኬቲንግ ትሕተ ቕርጺ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ሁዋዌ ኬቪን ዣንግ። \"ትምህርቲ ንኹሉ፣ ኣብ ኩሉ ተበጻሒ ክኸውን ኣለዎ\" ይብል።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60822600"} {"headline":"ግብጺ ብሰንኪ ኵናት ዩክሬን ካብ ኣይኤምኤፍ ሓገዝ ሓቲታ","content":"መንግስቲ ግብጺ፡ እቲ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ልዑል ቁጠባዊ ቅልውላው ስለ ዝፈጠረሉ ካብ ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ [ኣይኤምኤፍ] ሓገዝ ከም ዝሓተተ ተገሊጹ። እታ ካብ ኩለን ሃገራት ዓለም ካብ ወጸኢ ስርናይ ብምሽማት ቀዳመይቲ ዝኾነት ግብጺ፡ ዝበዝሐ ካብ ደገ ትሽምቶ ኣእኻል ካብ ዩክረይንን ሩስያን እዩ ነይሩ። ከም ውጽኢቱ፡ እቲ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ድማ ብኸቢድ ከም ዝጸለዋ'ዩ ዝግለጽ። ግብጺ ኣብዚ ሰሙን ነቲ ብሰንኪ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ናህራ ዋጋ ዝተራኣዮም ሃለኽቲ ነገራት ንምቁጽጻር ዋጋ ናይቲ ብድጎማ እትስርሖ ሕብስትታት ምዕሩይ ዋጋ ንኽህልዎ ዘገድድ ሕጊ ኣተኣታትያ ኣላ። ግብጺ፡ ካብ ቱሪዝም ትረኽቦ ዝነበረት ኣታዊታት ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብሰንኪ ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብኸቢድ ድሕሪ ምህሳዩ፡ ኣብዚ እዋን'ውን ኵናት ዩክሬን ጽልዋ ይፈጥረሉ ምህላዉ ይግለጽ። ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን መንግስቲ ግብጺ፡ ቁጠባዊ ምትዕርራይ ንምግባር ዋጋ ባጤራ እታ ሃገር ከም ዘሕሰሮ ይዝከር። ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ'ውን ነቲ ግብጺ ዝወሰዶ ተበግሶ ዘለዎ ናእዳ ኣብ ግዚኡ ገሊጹ ነይሩ እዩ። ካብ ዝጅመር ሓደ ወርሒ ኣቁጺሩ ዘሎ ኵናት ዩክሬን፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ቁጠባዊ ቅልውላው ከስዕብ እንከሎ፡ ብደረጃ ዓለም ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት ንኽውስኽ ቀንዲ ምኽንያት ኮይኑ ከም ዘሎ እዩ ዝግለጽ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60857533"} {"headline":"ስደተኛታት: ካብ 8 ክሳብ 10 ዓመታት ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ክልተ ኤርትራውያን ተፈቲሖም","content":"ካብ 8 ክሳብ 10 ዓመታት ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ዝጸንሑን ናይ ምጥራዝ ሓደጋ ኣጋጢምዎም ዝነበሩን ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተፈቲሖም ናብ ሳልሳይ ሃገር ተሰጋጊሮም። እዞም ኣለም ተስፋይን ክብሮም ኣድሓኖምን ዝተብሃሉ ኣብ 2012 ከምኡ'ውን 2014 ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ናብ ካናዳ፡ ከተማ ቶሮንቶ ከምዝኣተዉ ንጉዳዮም ብቐረባ ክከታተሎ ዝጸንሐ ምንቅስቓስ ግሎባል ባይቶ ይኣከል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። ኣብ ግብጺ ኣብ 'ኣል ከናተር' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤት ማእሰርቲ ተሓይሮም ዝጸንሑ ኣለም ተስፋይን ክብሮም ኣድሓኖምን፡ ኣብ ወርሒ መስከረም 2021 ሰብመዚ ግብጺ ናብ ኤርትራ ክትጥርዝዎም ምሉእ ምድላዋት'ኳ ወዲኦም እንተነበሩ፡ ግሎባል ባይቶ ይኣክልን ካልኦት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዝገበርዎ ጎስጓስ ካብ ምጥራዝ ከምዝድሓኑ ተገሊጹ። ኣብቲ እዋን ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ከይተረፈ ኣለምን ክብሮምን ናብ ኤርትራ ከይጥረዙ ንመንግስቲ ግብጺ ምምሕጻኑ ይዝከር። ግሎባል ባይቶ ይኣክል ንምፍታሕ እዞም እሱራት ኣመልኪቱ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግልጺ\"ነቲ ህዝብና ዝገበሮ ዘይሕለል ጻዕርታት፣ ብማሕበራዊ መዲያ፣ ብትዊተር፣ ብተፈላለዩ ጽሑፋት፣ ብሰላማዊ ሰልፊ፣ ብገንዘባዊ ልግሲ: ወዘተረፈ፣ ግዜኹም ከይቆጠብኩም ጂባኹም ከይበቐቕኩም ንዝገበርክሞ ኣስተዋጽኦ፣ ብሽም ኣለም ተስፋይን ኪብሮም ኣድሐኖምን፣ ክብ ዝበለ ምስጋና ይብጻሕኩም\" ኢሉ። እቲ መግለጺ ብምስዓብ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ካናዳ ምስ ኣተዉ ብመሰረት ሕጋጋት ካናዳ ንዝተወሰነ መዓልታት ተወሺቦም ከምዝጸንሑ ብምግላጽ \"ምስጋና ንምሃብ ክሳብ ዝኽእሉ፣ ኩሉኹም መዓከናት ዜና ንኽትዕገሱና ብትሕትና ንሐትት\" ይብል። ኣለምን ክብሮምን ናብ ካናዳ ንኽሰጋገሩ፡ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ንዝርከቡ ኤሪትራውያን ማሕበረ ኮም፣ ከምኡውን 'ንሪሰትለመንት' ንዝምልከት ፍቓድ፣ ካናዳውያን ዩኒታሪያን ካውንሲል፡ ምስ ኤሪትራውያን ማሕበር ቶሮንቶ ልዑል ጻዕሪ ከምዝግበሩ እቲ ሓበሬታ የረድእ። ኣለም ተስፋይን ክብሮም፡ ክልቲኦም ሓተትቲ ዑቕባ ኮይኖም፡ ኣለም ኣብ 2012 ክብሮም ኸኣ ኣብ 2014 ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉን እንተኾነ ዝቐረበሎም ክሲ ከምዘየለ ንጉዳዮም ዝከታተሉ ተጣበቕቲ መሰላት ይዛረቡ። ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ብሰንኪ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ገደብ-ኣልቦ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ናብ ስደት ከምዝውሕዙ ጸብጻባት ይገልጹ። ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ከቢድ ጸገም ከምዝወድቁን ግዳይ ሞት፡ ጾታዊ-ዓመጽን ጭውያን ከምዝኾኑ ይንገር።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60071569"} {"headline":"ግብጺን ስዑድያን ንኢትዮጵያ ካብ መድረኽ ቀይሕ ባሕሪ ስለምንታይ ነጺለንኣ?","content":"ሃገራት ኣብ ከከባቢአን፡ ንዝተፈላለየ ዕላማ ሕብረት ክፈጥራ ይረኣያ። ገሊኡ ንግዳዊ ጥፈታት ንምስላጥ፡ ገለ ምጣነ ሃብታዊ ሓይሊ ንምፍጣር ይቐውም። ገለ ሃገራት ኣብ ሰላመንን ድሕነተንን ስግኣት ክፍጠር እንከሎ፣ ኣብ ገለ ድማ ብናይ ሓባር ጸላኢ ክህደዳን ክርዕዳን እንከለዋ ሓባራዊ ኪዳን ይፈጥራ። ኔቶ ከም ኣብነት ሕብረት ሶቭየት ቅድሚ 70 ዓመት ዝፈጠረቶ ስግኣት፡ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ -ኔቶ ፈጢሩ። ሕብረት ሶቭየት፡ ፈሪሳ ናብ 15 ሃገራት ተመቓቒላ። ኔቶ ግን ብኣንጻሩ ዝያዳ እናሓየለ፡ ካብተን መስረትቱ ዝነበራ 12 ሃገራት፡ ኣብዚ እዋን 30 ሃገራት ዝሓቘፈ ኪዳን ኰይኑ'ሎ። ሕጂ ድማ፡ ብሰንኪ ዝተፈላለየ ስግኣታት ኣባላት ክዀና ብዝደልያ ሃገራት ተዋጢሩ'ሎ። ኔቶ ብሓጺሩ፡ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ተፈጢሩ ኣብ ድርኲኺት ሳልሳይ ኲናት ዓለም ዘሎ ትካል እዩ። ዕላማአንን ተግባረንን፣ ኣወዳድባአንን ተልእኾአንን ዝፈላለ ደኣ ይዅን እምበር፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ 'ኢኮዋስ' ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ድማ [ዋላ'ኳ ንጡፍ እንተዘይኰነ] ኢጋድ ኣሎ። ኣብዚ ሰሙን ዝተቐልቀለ 'መድረኽ ምትሕብባር ቀይሕ ባሕሪ' ዝበሃል ሕብረት ግን መዛረቢ ኰይኑ'ሎ። እዚ ሕብረት ግን ንኢትዮጲያ ስግኣት ድዩ? ኣውራ መስረትቲ ሃገራት እዚ መድረኽ፡ ግብጽን ስዑድ ዓረብን እየን። ካልኦት ሽዱሽተ ሃገራት ማለት፡ ኤርትራ፣ ሱዳን፥ ሶማሊያ፣ ጂቡቲ፣ ዮርዳኖስን የመንን ግን ኣባላት ኣለዋ። ኵለን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝመዓደዋ ሃገራት ወሽመጥን ቀርኒ ኣፍሪቃን እየን። ርግጽ እዩ፡ እዞ ዞባ ኣገዳሲ ዓለማዊ ንግዳዊ መስመር ስለ ዝዀነ ኣቓልቦ ዝዀነት ዓባይ ሃገረ ዝስሕብ እዩ። እዚ፡ ኣብ ዓለም ከቢድ ዝጸዓቐ መስመር መተሓላለፊ መራኽብ እዩ ክበሃል ይከኣል። ንኤስያ፡ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ኤውሮጳ ዘራኽብ፤ ካብ ሜዲተራንያን፣ መትረብ ስዊዝ፡ ቀይሕ ባሕርን ኣሳጊሩ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዘእቱ ኣንኮ መስመር ድማ እዩ። ስለዚ፡ ኣብዚ ሓናቒ ባሕራዊ-መስመር ሓያልነታ ከተረጋግጽ ዘይትደሊ ሃገር ክትህሉ ኣይትኽእልን። ነዚ ከም መርኣዪ ጅቡቲ ክትውሰድ ይከኣል። ኣብዛ ንእሽቶ ሃገረ ጅቡቲ፡ ኣብ መሬታ ሰፊረን ዘለዋ ሃገራት በዓል መን ምዃነን ብምርኣይ ጥራይ ብዙሕ ክንግንዘብ ንኽእል። ፈረንሳ፡ ኣሜሪካ፡ ጃፓን፡ ከምኡ'ውን ቻይና ኣለዋ። ህንድን ሩስያን'ውን መጻእና ይብላ ኣለዋ። ቐጠር፡ ቱርኪ፡ ኢራን ብሓደ ተጐጂለን'ውን ይዅን ኣብዚ ዞባ ዘለወን ጠመተ ኣይነከየን። ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝዳወባ ውሱናት ሃገራት ጥራይ ዘይኰነ፡ ካልኦት መራኽበን በቲ መስመር ዘሕልፋ፣ ንግዳዊ ንጥፈታተን ብጸጥታ'ዚ ዞባ ዝጽሎ ሃገራት ልክዕ ከም ኣፍደገአን ክርእያኦ ግድን እዩ። ደቡባዊ ኣፍደገ ቀይሓባሕሪ፡ ባብ ኤል መንደብ፡ ኣብ ሓደጋ እንተኣትዩ ጐረሮ ሓያለ ሃገራት ክሓንቕ ዝኽእል ከቢድ ሳዕቤን ኣለዎ። ሓያላን ሃገራት፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሕደራኦ ድሌት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ካብ 2018 ኣትሒዘን ብሓባር ደው ክብላ ከሰላስላ ጸኒሐን። እቲ ነገር ብላዕሊ ላዕሉ ክርአ እንከሎ፡ ካብ ርሑቕ ንዝመጽእ ሓያል ሓቢርካ ንምምካት ዝዓለመ እዩ ዝመስል። እቲ ምምኽኻር እናሓየለ መጺኡ፣ ኣብ 2019 ቅርጺ ሒዙ፣ ኣብ 2020 ድማ ተመስሪቱ። ንናይ ሓባር ጥቕሚ፡ ንናይ ሓባር ስግኣት ክንሓብር ይሓይሽ ብዝብል ዕላማ ቅድሚ ክልተ ዓመት ጕባኤኡ ዘካየደ እዚ መድረኽ ምትሕብባር በዘን ሸሞንተ ሃገራት ተመስረተ። እቶ ንኣምን ኣሸናፊ ተመራማሪ ኣፍሪቃን ኦሪየንታል ኰይኑ፡ እዚ ጥምረት፡ ብጽኑዕን ሓያልን ድሌት ስዑድያን ግብጽን እምበር ብምሉእ ድሌት እተን ካልኦት ኣባል ሃገራት ዝተመስረተ ከምዘይኰነ እዩ ዝኣምን። ብዛዕባ'ዚ ከም መማጐቲ ዘቕርቦ፡ እተን ኣባል ሃገራት ዘለወን እዋናዊ ቍመና እዩ። \"ብዘይካ ግብጺ፡ መብዛሕትአን ሃገራት ርእሰን ዝኽእላ ኣይኰናን። ተራአን ንስዑድያ ምዕጃብ ጥራይ እዩ፡\" ይብል። እዚ እናዀነ ግን እዚ መድረኽ ስለምንታይ እዩ ንኢትዮጲያ ነጺልዋ? ዝብል ሕቶ ክመጽእ ግድን እዩ። እዚ ሕቶ ድማ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ'ውን ተላዒሉ ነይሩ። ንኢትዮጲያ ንምንጻል ዝተኣልመ ውዲት ግብጺ'ዶ ይኸውን? ኣብዚ መድረኽ'ዚ ሰለስተ ሃገራት - እስራኤል፡ ኢማራትን ኢትዮጲያን ተዋሲነን ኣለዋ። እንተዀነ ስ ለምንታይ እዩ ንኢትዮጲያ ዝያዳ ኣቕሒሩዋ ዘሎ? ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ቅድሚ ሰሙን ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ካብ ዶክተር ቶፊቕ ዓብዱላሂ ነዚ ዛዕባ ዘልዓለ ሕቶ ቀሪቡሉ ነይሩ። \"ቀይሕ ባሕሪ ንዓና እንቲ እንኮ መእተዊናን መውጽኢናን እዩ፣ ስዑድያን ግብጽን ኰነ ኢሎም ክንጽሉና እንከለው፡ ንሕና እንታይ ኢና ንገብር ዘለና?\" ዝብል ሕቶ ቀሪቡ። ኣባል ቤት ምኽሪ ዶክተር ቶፊቕ፡ ካብዘን ሸሞንተ ሃገራት እተን ኣርባዕተ ኣባላት ኢጋድ ኰይነን እናሃለዋ ስለ ምንታይ ኢና ነዚ ተግባር ደው ከነብሎ ዘይከኣልና? ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ጥቕልል ዝበለ፡ ተስፋታት ብልጽግና ዝሓዘለ፡ ብዛንታን ምሳሌታትን ዝተሰነየ መልሲ እዩ ሂቡ። \"ሓንቲ ዑፍ፡ ኣብ ዝተሰብረ ጨንፈር እትዓልብ፡ ንመንገብገባ እምበር ነቲ ገረብ ኣሚና ኣይኰነን። ኢትዮጲያ፡ ሎሚ ቀይሕባሕሪ ትብል ኣላ፣ ኣይትጠራጠሩ ድሕሪ 10-15 ዓመታት ኣብ ካልኦት ርሕቕ ኢለን ዘለዋ ሃገራት ከይተረፈ ረብሓኣ ክትሓትት እያ። ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ሚልዮን ህዝቢ ኢና፣ ኵሩዕ ህዝቢ፣ ጽልዋና ኣብዛ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ጥራይ ዝተርፍ ኣይመስለንን፡\" ኢሉ። እንተዀነ እዚ መልሲ፡ ኣብ ግብራዊ ዲፕሎማሲ እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ዘረድእ ዝዀነ ኣመት ዝህብ ኣይኰነን። ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ዲና ሙፍቲ፡ ድሕሪ ገለ መዓልታት 'ዚ ዘረባ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኢትዮጲያ ካብዚ መድረኽ ምግላላ ዘለዋ ቅሬታ ገሊጹ። ኣቶ ንኣምን፡ ምግላል ኢትዮጲያ ካብዚ መድረኽ ምስ ግብጺ ዝተኣሳሰር ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። \"ውሻጥኡ እንተተፈቲሹ ጠጃእቱ በዓል መን ይዀና ኢልካ ምሕታት ፍርቂ ናይቲ መልሲ ዝህብ እዩ\" ዝብል እቲ ተመራማሪ፡ ግብጺ እታ ኣውራ ምዃና ይኣምን። \"እዚ ሓሳብ ኣብ 2018፡ ካብቲ ዝነበሮ ዘንቀሳቐሰቶ ግብጺ እያ። ግብጺ ካብ ዝዀነ ዲፕሎማስያዊ ምጣነሃብታዊ መድረኻት ንኢትዮጲያ ከተርሕቕ እያ ትደሊ\" ይብል። እተን ዝተረፋ ሽዱሽተ ሃገራት ድኹማት ዝበሃላ ኣብ ርእሲ ኰይነን፡ ምስ ስዑድያ ሕኸኽኒ ክሓከኪ እትኽእሎ ግብጺ፡ ኣብዚ መድረኽ ተራኣ ዕዙዝ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኰነን። \"ካብ ኣባል ሃገራት፡ ድሕሪ ስዑድያ መተግበሪ ኣጀንዳኣ ክትገብሮ እትኽእል ግብጺ ምዃን ፍሉጥ እዩ። ግብጺ ድማ ኢትዮጲያ ንምግላል ዘለዋ ዝጸንሀ ኣጀንዳኣ ዘጠራጥር የብሉን\" ይብል ኣቶ ንኣምን። ኢትዮጲያን ግብጽን፡ ኣብ ጉዳይ ኣባይ ሓያል ምትፍናን ዘለዋ እየን፣ ኣብ ሓደ ክሓብራሉ ዝኽእላ መድረኽ ብደረጃ ሓሳብ ተላዒሉ እንተዝነብር'ውን ግብጺ ከምእተፍሽሎ ርዱእ እዩ። ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፡ እዚ ንኢትዮጲያ ዘግልል ጕዳይ ሃገሩ ከምዘይትቕበሎ ገሊጹ። ንሱ'ውን እንተዀነ፡ ብዲፕሎማስያዊ መዳይ እንታይ ይግበር ከምዘሎ ኣየብርሀን። ዶክተር ቶፊቕ ከም ዘልዓሎ፡ ካብ ኣባላት እዚ መድረኽ እተን ኣርባዕተ ኣባላት ኢጋድ እየን፣ ኢትዮጲያ ኸኣ ኣብ ኢጋድ ነዊሕ ኢድ ዘለዋ እያ፣ ግን ብመገዲ ኢጋድ ነዚ መድረኽ ንምእታው ስለምንታይ ዘይተፈተነ ብሩህ ኣይኰነን። \"ሃገራት ኣዕራብ እዚ ዝጠፍአን ኣይመስለንን። እቲ ጕዳይ፡ ናይ ጸቕጢ ከባቢ ምፍጣርን ፈተነ ምስፍሕፋሕን እዩ። ሕቶ ክኸውን ዘለዎ፡ [ኢትዮጲያ] ነዚ ከበባ ንምፍንጣስ፡ ካብ ሕጂ እንታይ እያ ትገብር ዘላ? ዝብል እዩ፡\" ይብል ኣቶ ንኣምን። ግብጺ፡ ጽልዋን ተራን ኢትዮጲያ ኣብ ጂኦ-ፖለቲካ 'ዚ ዞባ ከም ዝምህምን ናይ ምግባር ጻዕራ፡ እዚ መድረኽ ቀይሕባሕሪ፡ መእተዊኣ ክኸውን ከም ዝኽእል የስግእ። እዚ መድረኽ፡ ወተሃደራዊ ኪዳን ናይ ምዃን ዕድን ኣለዎ ዶ? ስግኣትና ክብ ነብሎ። ኢትዮጲያ ቀስ ብቐስ ኣብ ዓንኬል ትኣቱ ዶ ትህሉ? ኢልካ ምሕሳብ ይከኣል እዩ። እዚ ሎሚ ንሩስያ ናብ ኲናት ዘእተወ ምኽንያት፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ቀስ ብቐስ ክውህለል ብሰንኪ ዝጸንሐ ምኽንያታትን ከበባን እዩ ዝብሉ ተንተንቲ ኣለው። ብመሰረት'ዚ ትንታነ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኔቶ ንሩስያ ንምሕናቕ መሸንቘቓኡ ከጽብብ ጸኒሑ። ልክዕ እዩ፡ ኔቶን ምስዚ መድረኽ ምትሕብባር ቀይሕባሕሪ ምንጽጻሩ ትርጕም ዘይብሉ ክመስል ይኽእል ይኸውን። ብዓላማ፡ ተልእኾን ግብሪን ዘመሳስሎም ነገር የለን። መድረኽ ቀይሕባሕሪ ገና ታተ ዝብል ዘሎ ውልዶ ምትእኽኻብ እዩ። ኣብዚ መድረኽ ዕላማታት ተባሂሎም ተቐሚጦም ዘለው፡ ሽፍትነት ባሕሪ ምክልኻል፣ ካብዚ ዞባ ዝርከብ ረብሓ ምዕዛዝን ብሓባር ምምቕራሕን፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ኣጽዋር ምቍጽጻር ዝብሉ እዮም። እዞም ድሌታት ሓደ ብሓደ ተንቲንካ ምስ ዝርኣዩ፡ ስግኣታት ኵለን ሃገራት ምዕራብ ኰይኖም ንረኽቦም። ሽፍትነት ባሕሪ፡ ንኣሜሪካን ሃገራት ምዕራብን ጥራይ ዘይኰነስ ንሃገራት ምብራቕ'ውን ስግኣት እዩ። ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ኣጽዋርን፡ እቲ ኣውራ ሕማም መርዘን ኤውሮጳ ኰይኑ ዘሎ ተግባር እዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብዚ ከባቢ ህንጸት ሰፋሕቲ መስመራት ጋዝ ወሲኽካ፡ ነቲ ቻይና ክትሃንጾ ወጢና ዘላ ቅናት፡ ኣብ መጻኢ ነዚ ዞባ ዝያዳ ማእከል ስሕበት ንግዳዊ ምትእስሳር ከም ዝገብሮ እሙን እዩ። እዚ ክኸውን እንከሎ ግን፡ ሃገራት እዚ ከባቢ፡ ካብ ርሑቕ ብዝመጽኣ ከም ቻይና፡ ህንዲ፡ ኣሜሪካን ካልኦትን ረብሓአን ክምንዛዕ ኣይክደልያን እየን። መድረኽ ቀይሕ ባሕሪ ንምፍጣር ዘገደደ ካልእ ምኽንያት'ከ? እዚ መድረኽ ምትሕባብር ጸኒሑ ናብ ወተሃደራዊ ኪዳን እንተዓበየ'ኸ? ምባል ግዜኡ ዘይሓለወ ስግኣት ዶ ይኸውን? ኣቶ ንኣምን ኣሸናፊ ከም ዝብሎ፡ እዚ መድረኽ ካብ ዝሕሰብ ነዊሕ ገይሩ እዩ። ብደረጃ ሓሳብ፡ ኤርትራ፡ ግብጺ፡ ስዑድያ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታትን ኵነታት እቲ ውጥን ነይሩወን እዩ። \"ብ ራእስነት ስዑድያ ኣብ 2020 ዝተመስረተ ይዅን እምበር፡ ግብጽን ስዑድያን ካብ 2018 ኣትሒዘን ዝዘራረባሉ ዝነበራ ጕዳይ ኰይኑ፡ ካብ 1970ታት ኣትሒዙ ይዕበ ይንኣስ ፈተነታት ነይሩ እዩ።\" ይብል። እዚ ማለት ግን ናብ ሓደ ዓቢይ ጥምረት ክዓቢ ኣይክእልን ማለት ድዩ? ብመሰረት ኣገላልጻ ኣቶ ንኣምን፡ \"እዚ መድረኽ ንምንታይ ከምዝተመስረተ ንምርዳእ፡ ኣብዞ ዞባ ጸላዊ ንምዃን ዝግበር ምቅድዳም ምርዳእ የድሊ።\" ኣብዚ ብቐንዱ፡ እቲ ኣብ መንጐ ኢማራትን ስዑድያን ዘሎ ውሽጣዊ ቅልስ ዝግለጸሉ እዩ። እዚ ኸኣ ካልእ ሕቶ ዝሽርጥጥ እዩ። ኢማራት ካብዚ መድረኽ ስለምንታይ ተረሲዓ? እዚ መሰረታዊ ነጥቢ እዩ። እንተዀነ ኢማራት ካብዚ መድረኽ ተረሲዓ ኣይኰነትን። ክሊ ኣየር ብምዕጻውን ምጣነ ሃብታዊ ጸቕጢ ብምፍጣር ሃገራት ወሽመጥ፡ ንቐጠር ክዋስናኣ እንከለዋ፡ ግብጺ፡ ስዑድያን ኢማራትን ቀንዲ መሻርኽቲ እየን ነይረን። እንተዀነ እዚ ሽርክነት ካብ ዝቐውም ነዊሕ ኣጸንሐን ክበሃል ይከኣል። እንተዀነ፡ እዚ ሓድሽ መድረኽ ቀይሕባሕሪ ክምስረት እንከሎ፡ 'ስለምንታይ ኢማራት ኣይተዓደመትን?' ዝብል ሕቶ ኣገዳሲ እዩ። ኢማራት ኣብዚ ዞባ ዘለዋ ተራ ደረት የብሉን። \"ዲፒ ዎርልድ፡ ንወደባት ጁቡቲን ሶማሊላንድን ዘመሓድር ኣዝዩ ዓቢይ ትካል እዩ። ኢማራት ይዕበ ይንኣስ ካብ ኵለን ሃገራት እዚ ዞባ ፖለቲካውን ምጣነ ሃብታውን ረብሓ ኣለዋ። ኢማራት ዘይጽንብር መድረኽ ደኣ ብኸመይ ተመስሪቱ? \"እዚ እዩ እኮ ዕላማ 'ዚ መድረኽ፣ ከምቲ መስረትቲ ሃገራት ዝብላኦ ንግዳዊ ምትሕብባር እዩ ኢልካ ምእምና ኣጸጋሚ ዝኸውን፡\" ይብል ኣቶ ንኣምን። \"ካብ ምትሕብባር ንላዕሊ ምቅድዳም እዩ ዝረኣየኒ፡\" ብምባል፡ ነቲ ኣብ መንጐ ስዑድያን ኢማራትን ነዚ ዞባ ዝያዳ መን ተቘጻጸረ ዘሎ ክርፍስ ጐሊሑ ዝርአ ዝብል ሓሳብ የስምረሉ። \"መድረኽ ንግዳዊ ምትሕብባር፡ ወግዒ ዘልብስ መርኣዪ ገጹ እዩ። እቲ ጕዳይ ምትሕብባር ዘይኰነስ ምውድዳር እዩ። እቲ ውድድር ከኣ ኣብ ምንጐተን ሃብቲ ነዳዲ ዘለወን ክልተ ሃገራት ጥራይ እዩ። እዚ ውድድር እናሓየለ ክኸይድ እንከሎ፡ እንታይ ክኽሰት ይኽእል? ኢማራት ከ ነዚ ጕዳይ ስቕ ኢላ ዶ ትርእዮ?\" ኣቶ ንኣምን ከም ዝግምቶ፡ ናይ ግዜ ሕቶ እዩ እምበር ኢማራት መተሃላልኽቲ ኰይና ክትመጽእ ግድን እዩ። \"ምናልባት'ውን ኢትዮጲያ እትኣክል ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ሒዛ፡ ንበዓል ስዑድያ ዝብድህ ካልእ ተወዳዳሪ ቀጽሪ ምፍጣራ ዘይተርፍ እዩ።\" መድረኽ ቀይሕ ባሕሪ ናባይ ገጹ ክዓቢ ይኽእል? ኣቶ ንኣምን ካብ ፈለማኡ ኣብ ዛዕባ ሓይልን ዕላማን 'ዚ መድረኽ ሕቶ የልዕል። ንኣብነት እስራኤል የላን፣ እስራኤል ግን ኣካል ቀይሕባሕሪ እያ። ኢትዮጲያ'ውን ኣብዚ ዞባ ጽልዋ ዘለዋ ሃገር እያ። ክልቲአን ክዋሰና ምግባር ዝግባእ ኣይነበረን። \"ነተን ቀንዲ ተዋሳእቲ ኣብዞ ዞባ ዘግለለ ሕብረት ዘግህዶ ነገር እንተሃልዩ፡ መተግበሪ ሕልሚ ሓንቲ ሃገር ክኸውን ዝቘመ ምዃኑ ጥራይ እዩ፡\" ይብል ኣቶ ንኣምን። ወተሃደራዊ ኪዳን ናይ ምዃን ዕድል ከ? ድኹማት ሃገራት ኣኻኺብካ ከም ዝምስረት ዝተገብረ ብዘይምኽንያት ኣይኰነን። \"ሱዳን ኣብ ቅልውላው እያ ዘላ፣ ኤርትራ ካብ ዓለም ዝተነጸለት ሃገር እያ፣ ሶማሊያን የመንን ኣብ ከመይ ኵነታት ከም ዘለዋ ፍሉጥ እዩ፣ ዝተረፋ ዮርዳኖስን ግብጽን እየን። እዘን ሃገራት ይትረፍ ብሓባር ክሕይላ፣ ኣብ ንሓድሕደን'ውን ኣብ ቍርቍስ ዘለዋ እየን። ብሓጺሩ ንሱዕድያ ንምስሳይ እንተዘይኰይኑ፡ እዘን ሃገራት ካልእ እንታይ ተራ ክህልወን ይኽእል?\" ዝብል ሕቶ የቐምጥ። \"ኔቶ ዝኣመሰለ ኪዳን ክቐውም እንከሎ እኮ፡ ብግሉጽ ዝሰፈረ ሓባራዊ ዕላማ ሒዙ እዩ። እዚ መድረኽ ዝተለሞ ነገር እንተሃልዩ ግን፡ ትልሚ ስዑድያ ጥራይ እዩ።\"","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60678452"} {"headline":"ኩዕሶ እግሪ፡ መሓመድ ሳላሕ ኣብ ፕሪሜርሊግ ዝበዝሓ ጎል ዘመዝገበ ኣፍሪቃዊ ኮይኑ","content":"ትማሊ ሊቨርፒል ንማንቸስተር ዩናይትድ፡ ኣብ ሜዳ ኦል ትራፎልድ 5 ብ 0 ኣብ ዝደሃኸትሉ ሰለስተ ጎል ዘመዝገበ ኣጥቃዓይ ክለብ ሊቨርፑል ግብጻዊ መሓመድ ሳላሕ፡ ኣብ ታሪኽ ፕሪሜርሊግ ዝበዝሓ ጎል ዘመዝገበ ኣፍሪቃዊ ኮይኑ። ግብጻዊ መሓመድ ሳላሕ፡ ቅድሚ ናይ ትማሊ ጸወታ፡ ምስቲ ኣብ ፕሪሜርሊግ ዓዲ እንግሊዝ 104 ሸቶታት ዘመዝገበ ኣይቮርያዊ ዲደር ድሮግባ ማዕረ ሸቶታት እየን ነይረነኦ። እንተኾነ መሓመድ ሳላሕ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ማንቸስተር ዩናይትድ ቅድሚ ዕረፍቲ ክልተ ድሕሪ ዕረፍቲ ሓንቲ ሸቶ ብምምዝጋብ ቁጽሪ ኣብ ፕሪሜርሊግ ዘመዝገቦ ሸቶታት ናብ 107 ክብ ብምባል፡ ኣብ ፕሪሜርሊግ ዝበዝሓ ሸቶ ዘመዝገበ ኣፍሪቃዊ ክኸውን ክኢሊ ኣሎ። ወዲ 29 ዓመት ግብጻዊ መሓመድ ሳላሕ፡ ኣብ 2017 ካብ ክለብ ሮማ ናይ ዓዲ ጣልያን ናብ ክለብ ሊቨርፑል ምስ ተሰጋገረ ሓደ ካብ ሓያላት ኣጥቃዕቲ ፕሪሜርሊግ ክኸውን ግዜ ኣይወሰደን። ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ናይጀርያ ነበርን ኣብ ፕሪሜርሊግ 95 ሸቶታት ዘመዝገበን ያኩቡ፡ ኣብ ፕሪሜርሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሸቶ ከመዝግብ ዝኽእል ኣጥቃዓይ ኣብ ካልእ ሊግ ከይዱ ሸቶ ከመዝግብ ዝቐለለ እዩ ብምባል ንክብደት ፕሪሜር ሊግን ንብቕዓት መሓመድ ሳላሕን ዘለዎ ኣድናቖት ገሊጹ። መሓመድ ሳላሕ ኣብ 2017 ናብ ሊቨርፑል ምስ መጽአ ኣብ መጀመርታ ወቕቲ ናይ ጸወትኡ 32 ሸቶታት ምስ ኣመዝገብ ንብዙሓት ኣገሪሙን ብዙሕ ኣድናቖት ረኺቡን'ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክለብ ሪቨርፑል ተዓዋቲት ፕሪሜር ሊግ ኣብ ዝኾነትሉ መሓመድ ሻላሕ 19 ሸቶታት ኣመዝጊቡ ነይሩ። መሓመድ ሳላሕ፡ ክልተ ግዜ ናይ ካፍን ናይ ቢቢሲን ዝበለጽ ኣፍሪቃዉ ተጻዋታይ ክብሃል እንከሎ፤ ካብ 2017 ጀሚሩ ኣብ ሊቨርፔል ኣብ ዝጸንሓሉ ዓመታዊ ልዕሊ 15 ሸቶታት እዩ ከመዝግብ ጸኒሑ። ኣብ ክለብ ሊቨርፑል ብጻዩ ዝኾነ ሰኔጋላዊ ሳድዮ ማነ'ውን ክሳብ ሕጂ 100 ሸቶታት ብምምዝጋብ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዑ ይርከብ። ናይጀርያዊ ያኩቡ ብዛዕባ ብቅዓት መሓመድ ሳላሕ ኣብ ዝተሓተተሉ \"ኣዝኡ ትኩር'ዩ፡ ምንቅስቃሱ ማራኺ እዩ፡ ካብ የማናይ ክንፊ እናመጽአ'ዩ ሸቶታት ዘመዝግብ። ኣበይ ኮይኑ ንኵዕሶ ይጽበያን ምዓስ ኵዕሲ ሑዙ ይጎይን ኣጸቢቑ ይፈልጥ'ዩ\" ኢሉ። ብምስዓብ \"ኣብዚ ዘመናዊ ኵዕሶ እግሪ፡ ከም መሓመድ ሳልሕ ዝኣመሰሉ ተጻወትቲ ኣዝዮም ውሑዳት'ዮም፡ ሓቂ ንምዝራብ መሓመድ ሳላሕ ኣዝዩ ዝተፈለየ ድንቂ ዝኾነ ብቕዓት ዘለዎ ኣጥቃዓይ'ዩ፤ ባርሲሎና ብሜሲ እያ ትፍለጥ፡ ሊቨርፑል ኸኣ ብመሓመድ ሳላሕ እያ ትፍለጥ\" ኢሉ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59033662"} {"headline":"ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምምንጫው ጀሚሩ","content":"ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ክረምቲ ማይ ክመልእ ዝተገበረን ንዓመታት ምኽንያት ምስሕሓብ ኮይኑ ዝጸንሐን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሎሚ 13 ለካቲት 2014 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ብወግዒ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምምንጫው ጀሚሩ። እዚ ነቲ ህንጸቱ ካብ ዝጅመር 11 ዓመታት ዘቑጸረ ግድብ ዓብዪ ምዕራፍ እዩ፡፡ ሎሚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ካልኦት ሰበስልጣንን እቲ ግድብ ኣብ ዝተሃነጸሉ ክልል ቤንሻንጉል ወረዳ ጉባ ኣብ ዝተረኸቡሉ ስነ ስርዓት ምጅማር ምፍልፋል ሓይሊ እቲ ግድብ ይካየድ ኣሎ፡፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ 13 ተርባይናት እቲ ግድብ እቲ ሓደ እዩ ሓይሊ ከመንጪ ጀሚሩ ዘሎ፡፡ እቲ ስራሕ ጀሚሩ ዘሎ ተርባይን 375 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ ኣለዎ፡፡ እዚ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ግብጺ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ንዓመታት ድርድር ዘካየዳሉ ግድብ፡ እቲ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ተመሪሑ ነይሩ፡፡ ነቲ ወጥሪ ንምፍታሕ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣካላት ንምሽምጋል ዝፈተኑ ኮይኖም ዛጊድ መዕለቢ ኣይረኸበን ዘሎ፡፡ ብፍላይ ግብጽን ሱዳንን ቀያዲ ስምምዕ እንተይተገበረ እቲ ግድብ ክምላእ የብሉን ኢለን እኳ እንተነበራ፡ ኣብ ክረምቲ 2012ን 2013ን ማይ ከም ዝመልአ ተገሊጹ እዩ፡፡ ንህንጸቱ 4.5 ቢልዮን ዶላር ዝተሰለዐሉ ግድብ ሕዳሰ፡ ኣብ 2012 ዓ\/ም 4.9 ቢልዮን ኪዩቢክ ሜትር ማይ ከም ዝሓዘ ተገሊጹ ነይሩ፡፡ ቁመቱ እውን ልዕሊ 565 ሜትር ልዕሊ ጸፍሒ ባሕሪ በጺሑ ነይሩ፡፡ ማይ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ እቲ ግድብ 74 ቢልዮን ክዩቢክ ሜትር ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ 13.4 ቢልዮን ኪዩቢክ ሜትር ንምምላእ ተተሊሙ ነይሩ፡፡ ኢትዮጵያ እቲ ትልሚ ከም ዝተሳኸዐ ዝገለጸት ኮይና እዚ ድማ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከመንጩ ኣብ ዝኽእለሉ ብርኪ ምብጽሑ ዘረድእ እዩ፡፡ ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ንዓመታት ዝተኻየደ ዘተን ድርድርን ፍረ ዘየፍረየ እንትኾን ኢትዮጵያ ካልኣይ ዙርያ ምምላእ እቲ ግድብ ምጅማራ ስዒቡ ግብጽን ሱዳንን ነቲ ጉዳይ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወሲደንኦ ነይረን፡፡ እንተኾነ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ጉዳይ ሰሚዑ ብሕብረት ኣፍሪቃ ክረኣ ከም ዘለዎ ብምግላጽ መሊስዎ፡፡ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ፡ ግብጺ እቲ ጉዳይ ኢ-ፍትሓዊ ዝኾኑ ናይ ባዕዳዊ መግዛእቲ ውዕላት መሰረት ገይሩ ክፍታሕ ጸቕጢ ገይራ ብምባል እያ እትኸስስ፡፡ እቲ ኣብ ዘይነበረትሉ ዝተፈጸመ ስምምዕ ነታ ናብ ሩባ ናይል 77 ቢልዮን ኪዩቢክ ሜትር ማይ እተዋጽእ ኢትዮጵያ ምንም ብጽሒት ዘይህብን ተፈጥሮኣውን ሕጋውን መሰላ ዝኸልእን ከም ዝኾነ ኢትዮጵያ ትምጉት፡፡ ብተወሳኺ እቲ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጰ 1959 ዝተፈጸመ ውዕል ንግብጺ 55.5 ቢልዮን ኪዩቢክ ማይ ከምኡ እውን ሱዳን 18.5 ቢልዮን ኪዩቢክ ክትወስድ ብምግባር ነታ 86 ምኢታዊት እቲ ማይ እተዋጽእ ሃገር ግን ጥራሓ ዘትርፍን ሉኣላውነታ ዝጥሕስን እዩ ትብል፡፡ ግብጺ ብወገና እቲ ግድብ ንመስተ ዝውዕል ማየይ ክቕንሶ እዩ፤ ከምኡ እውን ንሕርሻ ዘውዕሎ ዓመታዊ 40 ቢልዮን ኪዩቢክ ማይ ይግበአኒ እዩ ዝብል ሓሳብ ክተቕርብ ዝጸንሐት ኮይና፡ ኢትዮጵያ እውን ኣብቲ ኣብ ኣመሪካ ዝተኻየደ ዘተ 31 ቢልዮን ኪዩቢክ ማይ ክትሰድድ ሓሳብ ኣቕሪባ ነይራ፡፡ ብተወሳኺ ንውሕ ንዝበለ እዋን ድርቂ ዘጋጥም እንተኾይኑ፡ ናይተን ኣብ ታሕተዋይ ተፋሰስ እቲ ግድብ ዝርከባ ሃገራት ጥቕሚ ንምሕላው ኢትዮጵያ መረጋገጺ ክትህብ ይግባእ ዝብል ሕቶ እውን ኣቕሪባ ነይራ፡፡ ግድብ ህዳሰ ኣስታት 90 ምኢታዊት ስራሕቲ ህንጻ፣ 44 ምኢታዊት ኤሌክትሮ መካኒካልን 20 ምኢታዊት ስራሕቲ ሓጺነ መጺንን ዝዓመመ ኮይኑ ሓፈሻዊ ህንጸት እቲ ግድብ 75 ምኢታዊት ከም ዝበጸሐ ተሓቢሩ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60452513"} {"headline":"ኣብ ግብጺ ሰለስተ ሰባት ብዕንቅርቢት ተነኺሶም ሞይቶም","content":"ኣብ ግብጺ ደቡባዊት ከተማ ኣስዋን፡ ከቢድ ማዕበል ናብ ጽርጋታትን መንበሪ ኣባይትን ዘምጸአን ዕንቅርቢታትን [ጥንቅርብዒታት] ሰለስተ ሰባት ነኺሰን ቀቲለን፡፡ ኣስታት 450 ሰባት እውን ብሕንዚ እተን ዕንቅርቢታትን ጉድኣት ከምዝበጸሖም ሓደ በዓል ስልጣን ጥዕና ሓቢሩ፡፡ እቲ ኣብ ጥቓ ሩባ ናይል ዝርከብ ከባቢ ብዓርቢ ብኸቢድ ኣውሎ ንፋስ ተጠቒዑ ነይሩ። ኣብቲ ከባቢ ከቢድ ዝናብ እንትሃርም ኣብ ጽርጋታት በዝሒ ዘለዎም ጥንቅርብዒታትን ኣትማንን ተገሊፎም ምርኣይ ልሙድ እዩ፡፡ ኣብዚ እዋን ናብቶም ዝተጠቕዑ ከባቢታት ጸረ-ሕንዚ መድሃኒታት ብበዝሒ ከምዝተኸፋፈለ ሓደ በዓል መዚ ጥዕና ንወኪል ዜና ኣህራም ገሊጹ፡፡ ኣብ ምሃብ ክታበታት ተዋፊሮም ዝነበሩ ዶኳትር፡ ነቶም ብጥንቅርብዒታት ጉድኣት ዝበጸሖም ሰባት ናብ ምሕካም ክወፍሩ ከምዝተገበረ እቲ በዓል መዚ ወሲኹ ሓቢሩ፡፡ ነበርቲ በዝሒ ኣግራብ ካብ ዘለዎ ከባቢ ክርሕቑን ኣብ ገዝኦም ክጸንሑን ተነጊሩዎም ኣሎ፡፡ ግብጺ ካብተን ኣዝየን ቀተልቲ ዝኾና ዓሌታት፡ ሮጒድ ጭራ ዘለወን (ፋት-ተይልድ) እንቅርብዒታት ዝርከባላ ሃገር እያ። ሕንዚ ናይተን ሮጒድ ጭራ ዘለወን ጸለምቲ ዕንቅርቢታት ሓደ ሰዓት ኣብ ዘይመልእ እዋን ክቐትል ይኽእል እዩ፡፡ ብዙሕ መንከስቲ ዘጋጠሞ ሰብ ጸገም ምትንፋስ፣ ምንቅጥቃጥ ጭዋዳን ዘይተለመደ ምንቅስቓስ ርእስን ዝኣመሰሉ ምልክታት ከርእይ ይኽእል እዩ፡፡ ኣብ እዋን መድሓኒት ጸረ-ሕንዚ ብምውሳድ በቲ ሕንዚ ዝስዕብ ሞት ምክልኻል ይከኣል እዩ፡፡","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59279800"} {"headline":"ኣብ ግብጺ ልዕሊ 4 ሽሕ ዓመታት ዕድመ ዘቑጸረ ቤተ-መቕደስ ተረኺቡ","content":"ኣብ ግብጺ 4,500 ዓመታት ዕድመ ዘቑጸረ ቤተ-መቕደስ ብዃዕቲ ከምዝተረኸበ ተገሊጹ። ሙሁራት ስነ-ኳዕቲ ግብጺ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመታት ኣዝዮም ኣገደስቲ ካብ ሞንጎ ዝበሃሉ ትሕቲ መሬት ዝተቐበሩ ውርሻታት ነቲ ሓደ ከምዝረኸቡ ሓቢሮም። እቲ ቤተ-መቕደስ ፈርኦናውያን ንነብሶም ናብ ኣማልኽቲ ንምቕያር ይፍትኑ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ካብ ሞንጎ ዝሃነጽዎምን ጠፊኦም ዝጸንሑን ኣርባዕተ ናይ ጸሓይ ኣብያተ-መቕደስ እቲ ሓደ ከምዝኾነ ተገሊጹ’ሎ። ግብጻውያን ፈርኦናት ቅድሚ 4,500 ዓመታት ዝሃነጽዎም ኣብያተ-መቕደስ ፀሓይ ሽድሽተ ጥራሕ ከምዝኾኑ ይእመን። ካብ ሞንጎኦም ድማ እቶም ክልተ ጥራሕ ከምዝተረኸቡ ይግለጽ። እቲ ሳልሳይ ሎሚ ክርከብ ምኽኣሉ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ብዃዓቲ ካብ ሞንጎ ዝወጽኡ እቲ ዝዓበየ ተባሂሉሉ’ሎ። እቲ ቤተ-መቕደስ ካብ ከተማ ካይሮ ንኣንፈት ደቡብ ኣብ ዘሎ ኣቡ ጎራብ ዝተባሃለ ቦታ ዝተረኸበ ኮይኑ፤ ኣብ ውሽጡ ነዊሕ ሓወልቲ ዝተተኸሎ ሰፊሕ መረባ (ካንሸሎ) ከምዝኾነ ተሓቢሩ። ዓበይቲ ፒራሚዳት ግብጺ፤ ኣብቲ ብድሕሪ ሞት ዝህሉ ህይወት ኣምላኽነት ፈርኦናውያን ንምርግጋጽ ብምሕሳብ ከምዝተሃነጹ ይዝረብ። ኣብ ግብጺ ብቐጻሊ ኣብ ዝካየዱ ኳዕቲ፤ ብኣሽሓት ዕድመ ዘቑጸሩን ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተቐበሩን ህንጻታት ብብዝሒ ከምዝርከቡ ይፍለጥ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59294657"} {"headline":"ቅልውላው ሱዳን ኣብ ልዝብ ግድብ ህዳሰን ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያን እንታይ ጽልዋ ይህልዎ?","content":"እቲ ነቀይ ነቀይ ዝብል ዝነበረ መንግስቲ ሱዳን፡ ሕዚ ድማ ዕልዋ መንግስቲ ተወሲኽዎ፡ ኣባል ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ዝነበረ ጄነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን መሪሕነቱ ሒዙ ኣሎ። ሕብረት ኣፍሪቃ ሓዊሱ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ኮኒኑ፡ ነቲ ወተሃደራዊ መሪሕነት ኣፍልጦ ከም ዘይህብ ኣፍሊጡ ኣሎ። ዑማር ሓሰን ኣልባሽር ድሕሪ ካብ ስልጣን ምእላዩ፡ ኣብ መንጎ ሲቪላውን ወተሃደራውን መሪሕነት ዝጸንሐ ዘይምርድዳእ፡ ነታ ሃገር ሰላም ኣስኢንዋ ዝቐነየ ምዃኑ ይዝከር። ሕዚ ድማ፡ ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ምስ ተሰመዐ፡ ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ዝደሊ ህዝባ፣ ናይ ሞያ ማሕበራትን ፖለቲከኛታትን ኣደባባይ ወጺኦም ተቓውሞ የስምዕ ኣለዉ። ንምዃኑ ኣብታ ሃገር ወተሃደራዊ ክፍሊ ስልጣን ምቁጽጻሩ ኣብ ልዝባት ህዳሰ ግድብን፡ ኣብ ጉዳይ ዶባዊ ግጭት ምስ ኢትዮጵያ እንታይ ጽልዋ ይህልዎ? ንዕልዋ መንግስቲ ዝመርሐ ጄነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል ቡርሃን፡ ናይ ሱዳን ኣልሲሲ ከይኸውን ስግኣት ኣሎ። እቲ ጀነራል ምስ መራሒ ግብጺ ኣልሲሲ ጽቡቕ ርክብ ከም ዘለዎ'ውን እዩ ዝንገር። ምቕማጡ ኣብ ለንደን ዝኾነ፡ ተንታኒ ፖለቲካ ዓብዱራህማን ሰዒድ ኣቡሓሽም፡ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጽልዋ ኣለዎ ኢሉ እዩ ዝኣምን። \"ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን ምስ ግብጺ ናይ ሓባር ስምምዓት ተፈራሪሙ ኣብ ጉዳይ ህዳሰ ግድብ ሓደ ዓይነት ቅዋም ከሰጉም ጸኒሑ\" ይብል ኣቡሓሺም። በዚ ዝተልዓለ ድማ፡ ዶባዊ ጎንጺ ከልዕል ዝኽእል ምትንዃያት ከምዝነበረን ብ'ትዕግስቲ መንግስቲ ኢትዮጶያ' ከምዝተሓለፈን ይዛረብ። ንሱ ከምዝብሎ፡ ሲቪላዊ መንግስቲ ሱዳን በቲ ናይ በዓል ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ትንኮያታት ኣይስማማዕን ነይሩ። ስለዝኾነ እቲ ጄነራል ሙሉእ ንሙሉእ ስልጣን እንተተቖጻጺሩ፡ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ንስልጣኑ ክብል ኣሉታዊ ኣማረጽቲ ናብ ምውሳድ ከዘንብል ከምዝኽእልን ምስ ኢትዮጵያ ናብ ኲናት ምእታው ከስዕብ ከምዝኽእልን እዩ ዘረድእ። ኣቡሓሽም ከምዝብሎ፡ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ቀጥታዊ ኲናት እንተዘይተኻይዱ ቅልውላው ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብዙሕ ዘምጽኦ ለውጢ ከምዘየለ ይዛረብ። ምክንያቱ ድማ፡ መንግስቲ ሱዳን ንሓይልታት ትግራይ ይድግፍ እዩ ብዝብል ክሕመ እዩ ጸኒሑ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሱዳን ካብ ዝርከብ መዓስክር ስደተኛታት ልዕሊ 20 ሽሕ ዝኾኑ ሓይልታት ትግራይ ሰልጢኖም ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ፈቲኖም ዝብል ክስታት ኣዘኻኺሩ። ብዛዕባ እዚ ክሲ፡ ዩኤንኤችሲኣር ኣብ መዓስክር ስደተኛታት ዝኾነ ዓይነት ወተሃደራዊ ስልጣና ተዋሂቡ ከምዘይፈልጥ ብምግላጽ ነቲ ክሲ ነጺግዎ እዩ። ንሱ ከምዝብሎ፡ መንግስቲ ሱዳን ስትራተጂካዊ ዝኾነ ቅዋም ስለዘይብሉ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጠሩ ተቓወምቲ ሓይልታት ቅዋሞም ክቀያየር ከምዝኽእል ኣቡሓሺም የረድእ። ስለዝኾነ፡ \"ህወሓት ከም ሓደ ስትራተጂካዊ ተሓባባሪ ቆጺሩ፤ እንክሰዓር ዝሕግዞ እንክወድቕ ዘልዕሎ ዓይነት ሓይሊ ዝኾነሉ ኣይመስለንን\" ኢሉ። ልዝብ ግድብ ሕዳሰ ህንጸት እቲ ግድብ ኮነ ዝርርብ ህዳሰ ግድብ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት'ኳ እንተቑጸረ፡ ዛጊት ኣብ ስምምዕ ኣይተበጽሐን። እቲ ጉዳይ ናብ ባይቶ ጸጥታ ኣምሪሑ ድማ፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ክረአ ብዝብል ውሳነ ምሕላፉ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ እቲ ድርድር መዕለቢ ከይረኸበ፡ ኣብ ሱዳን ሕዚ ዕልዋ መንግስቲ ምፍጣሩ እቲ ኩናታት ናበይ ኮን የምርሕ ብዝብል ናይ ብዙሓት ሕቶ ኾይኑ ኣሎ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቴክኒካዊ ጉዳያት ምብራቃዊ ክፋል ናይል፡ ኣቶ ፈቅ ኣሕመድ ነጋሽ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝተፈጥሩ ኩነታት እቲ ልዝብ ከይጅመር ምኽንያት ከምዝኾነ ንቢቢሲ ይገልጽ። ባይቶ ጸጥታ፡ እተን ሃገራት ኣብ ዝተወሰነ እዋን፡ ኣብ ሓደ ስምምዕ ክበጽሓ ኣለዎን ዝብል ውሳነ ኣሕሊፉ ከም ዝነበረ'ውን ኣዘኻኺሩ፤ እንተኾነ ልዝብ ክጅመር ዘይምኽኣሉ ይገልጽ። እቲ ልዝብ ብሸምጋልነት ከካይድ ሓላፍነት ዝተውሃቦ ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ፡ ሱዳን እቲ ሲቪላዊ መራሒ ናብ ንቡር ቦትኡ ክሳብ ዝምለስ ካብ ኣባልነት ኦሰሪዙዋ ስለዘሎ ነቲ ኩነታት ዝበኣሰ ሕልሕልኽ ኣቢለዎ ይርከብ። ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ስዒቡ ካቢነኡ እንትብትን ኣብ ጉዳይ ህዳሰ ግድብ፡ ዋና ተዳራዳርቲ ሱዳን ዝኾኑ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻእን ሚኒስትር መስኖን ማይን ዝኾነ ምንቅስቓስ ከይገብሩ ኣጊዱ ይርከብ። ስለዝኾነ ኣብ ሱዳን'ውን ተደራዳሪ ኣካል ኣብ ዘይተፈልጠሉ ኩነታት ብዛዕባ ድርድር ምዝራብ ዘጸግም እዩ ይብል ኣቶ ፈቕ ኣሕመድ። \"ናይ ፖሊሲ ለውጥታት'ውን ክህልዉ ይኽእሉ ፤ ሱዳን እንታይ ዓይነት ፖሊሲ ከምእትኽተል ዛጊድ ኣይተነጸረን። ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝገብሮም ጻዕርታት'ውን ኣይትሳተፍን። ብምዃኑ'ውን ጉዳይ ህዳሰ ግድብ ንግዚኡ ተንጠልጢሉ ዝጸንሕ እዩ ዝመስለኒ\" ኡሉ። ርክባት ግብጽን ወተሃደራዊ ኣካል ሱዳንን ድሕሪ ኣልበሺር፡ እቶም ወተሃደራውን ሲቪላውን ምሕደራ ሓቢሮም ይገዝኡ ኣብ ዝነበርሉ እዋን፤ ወተሃደራዊ ሓይሊ ምስ ግብጺ እዩ ሓቢሩ ነይሩ ዝብል ቅዋም ኣለዎ። ብምዃኑ'ውን እቲ ወተሃደራዊ ክፍሊ ኣብ ስልጣን ጸንሐ ኣይጸንሐ ብዙሕ ዝልወጥ ፖሊሲ ኣሎ ኢሉ ኣይኣምንን። \"እቲ ብሕታዊ ኣማራጺ ልዝብ እዩ። ንሶም'ውን እዚ ይፈልጡ እዮም\" ኢሉ ፈቅ ኣሕመድ። ኣቶ ፈቅ ኣሕመድ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ማለት'ውን ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕብረት ኣውሮጳ፣ ባንኪ ዓለምን ኣመሪካን ዝኣመሰሉ ዝፈጥርዎ ዘለዎ ጸቅጢ ውጽኢት ከምጽእ እዩ ዝብል ተስፋ ኣለዎ። ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒሰተር ዓብደላ ሓምዶክ ናብ ገዝኡ ምምላሱ ናይዚ መርአያ ገይሩ ወሲድዎ። እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ጽልውኡ እንተበዚሑ፡ ነቲ ሲቪላዊ ምሕደራ ናብ ቦትኡ ክመልሶ ይኸውን'ዩ ወይ ድማ ቀልጢፉ መርጫ ብምክያድ ሲቪላዊ ምሕደራ ክምስርት ይኸውን ዝብል ግምት ኣለዎ። \"እዚ ዘይኸውን እንተኾይኑ ግና እተን ሃገራት ካልእ ኣማራጺ ክሪኣ ክግደዳ እየን\" ኢሉ። ከምኡ እንተዘይኮይኑ፡ እቶም ተደራደርቲ ሚኒስትራት ሱዳን ናብ ቦተኦም ምምላስን እቲ ልዝብ ከምዝቅጽል ምግባርን ከም ኣማራጺ ከምጽእ ይኽእል ይኸውን ይብል። ወይ ድማ፡ ካልእ ግዝኣዊ ኣማሓዳሪ ብምሻም ናይ ሰለስቲአን ሃገራት ልዝብ ክቕጽል ምግባር ከምዝከኣል የረድእ። ኣብ ተሳጋሪ ሩባታት ካልእ ሳልሳይ ኣካል ምእታው ብዙሕ ዝምከር'ኳ እንተዘይኮነ፡ ከምኡ ምግባር'ውን ካልእ ኣማራጺ ክኸውን ይኸእል ይብል። ግብጺ ክሳብ'ዚ እዋን ተግባራዊ ዘይገበረቶ፡ ቀጥታዊ ኲናት ጥራይ ከምዝኾነን ንሱ ንባዕሎም'ውን ከምዝጎድኦምን ኣቶ ፈቅ ኣሕመድ ይዛረብ። ኣቡሓሽም ድማ፡ ነዚ ሓሳብ እዩ ዝድግፍ። \"ጉዳይ ኣባይ ብዝበለጸ ክፍታ ዝኽእል ብግብጽን ኢትዮጵያን እዩ\" ድማ ኢሉ። እንተኾነ፡ ግድብ ህዳሰ 80 ሚኢታዊ ክፋሉ ህንጸቱ ተዛዚሙ ስለዝርከብ፡ ግብጺ ነቲ ግድብ ምፍራስ'ውን ከም ኣማራጺ ከም ዘይሪእዎ እዩ ዝኣምን። ኣቶ ፈቅ ኣሕመድ ከም ዝብሎ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ኣብ ልዝብ ዝጸንዐ ቅዋም ከምዘለዋን፡ እቲ ብሸምጋልነት ኣመሪካ ተጀሚሩ ዝነበረ መትከላት ገዲፍካ፡ ብሓድሽ መገዲ ክቕጽል ከምእትደሊ ገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፣ ዶባዊ ዘይምርድዳእ ኣልፋሽቃ፤ ጉዳይ ኢትዮ-ኤርትራን ግደ ሃገራት ዓረብን ነቲ ነቲ ዞባ ናብ ሕልኽልኽ ዝበለ ወጥሪ ከይመልሶ ስግኣት ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ውሽጣዊ ጉዳይ ገይሩ ክውደኦ'ኳ እንተደለየ፡ ቀልጢፉ መዕለቢ እንተዘይረኺቡ፡ ዞባዊ ናይ ምዃንን ካልኦት ሃገራት ናይ ምእታው ዕድል ከስፍሕ ከም ዝኽእል ኣቦሓሽም ኣረዲኡ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59115967"} {"headline":"ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሎሚ'ውን መዳልያታት ተሸሊማ","content":"እታ ትማሊ ኣርባዕተ ወርቂ መዳልያታት ዝረኸበት ሃገራዊት ጋንታ ብሽክሌታ ኤርትራ ኣብቲ ሎሚ ንካልኣይ መዓልቲ ዝተኻየደ ውድድር ቻምፕዮን ቅድድም ኣፍሪቃ 2022 እውን ፡ ሓንቲ ወርቂ፡ 3 ብሩርን 2 ነሓስነ መዳልያታት ተዓዊታ። ኣብቲ 44.4 ኪሜ ዝሸፈነ ናይ ኢልትን ትሕቲ 23 ዓመትን ናይ ደቂ ተባዕትዮ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ኣብ ዙር ርዋንዳ ኣንጻባራቒ ብቕዓት ዘርኣየ ሄኖክ ሙሉብርሃንን ቻምፕዮን ኤርትራ ዓመተ 2021 ዳዊት የማነን'ዮም ንኤርትራ ወኪሎማ። ኣብዚ ውድድር ደቡብ ኣፍሪቃዊ ጋስታቭ ባሶን ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ ሄኖክ ሙሉብርሃን ካልኣይ: ሓደ ሞሮካዊ ኸኣ ሳልሰይ ወጺኦም። ኣብዚ ውድድር'ዚ ሞሮኮ: ርዋንዳ፣ ሞሪሽየስ፣ ቡርኪናፋሶ፣ በኒን፣ ኡጋንዳ፣ ቱኒዝያ፣ ማሊ፣ ቦትስዋና ከምኡ'ውን እታ ብነጋሲ ኣብረሃ ዝተወከለት ኢትዮጵያ ተሳቲፈን። ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ 2010፣ 2011፣ 2012፣ ከምኡ'ውን 2013 ኣከታቲሉ ንኣርባዕተ ዓመታት ተዓዊቱ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ: ኣብ 2015 ኢትዮጵያዊ ግርማ ጽጋቡ፡ ኣብ 2017 ሜሮን ተሾመ፡ ኣብ 2018 ኸኣ መኽሰብ ደበሳይ ተዓዊቶም ነይሮም። ኣብቲ 29.4 ኪሜ ዝሸፈነ ናይ ኢልትን ትሕቲ 23 ዓመትን ደቂ ኣንስትዮ: ኤርትራ ብኣድያም ዳዊትን ዳናይት ፍጹምን ክትውከል እንከላ ኢትዮጵያ ኸኣ ብሃና ኣበየን ሰብረወርቅ ኣያልን ተወኪላ። ሃገራውያን ጋንታታት ኣልጀርያ፣ ግብጺ፣ ርዋንዳ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ቡርኪናፋሶ፣ ካሜሮን፣ ኣይቮሪኮስትን ሞሪሽየስን'ውን ኣብዚ ውድድር ተሳቲፈን ኣለዋ። ኣብ ናይ ኢሊት ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣልጀርያዊት ነስሪን ሃዋይ ቀዳመይቲ ክትወጽእ እንከላ፡ ግብጻዊት ሳይዳን ኣሕመድ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጆንከር ቢግን ካልኣይን ሳልሰይትን ብምዃን ተኸታቲለን ወዲአን። ኣብ ተመሳሳሊ ውድድር ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ኤርትራዊት ዳናይት ዳዊት ብሩር ኣድያም ዳዊት ነሓስ መዳልያ ክሽለማ እንከለዋ ኣልጀርያዊት ነስሪን ሃዋይ ቀዳማይቲ ወጺኣ። ናይ ጁንየር ደቂ ተባዕትዩ 29.4 ኪሜ ዝሽፈነ ኮይኑ፡ ኤርትራ ንዮናስ ተኪኤን ኣክሊሉ ኣረፋይነን ከተሰልፍ እንከላ፡ ኢትዮጵያ ብመንግዲ ሶሎሞን ሞክርያን ድጋጋ ጃኖን ተወኪላ። ኣኽሊሉ ኣረፋይነን ዩናስ ተኪአን ቀዳማይን ካልኣይን ኮይኖም ውድድሮም ብምዝዛም ተሸልምቲ ወርቅን ብሩርን መዳልያ ኮይኖም። ደቡብ ኣፍሪቃዊ ፍራንኮይስ ሃፍመይር ኸኣ ሳልሳይ ብምውጻእ ነሓስ መዳልያ ተዓዊቱ። ኣብዚ ወድድር እዚ ሞሮኮ፣ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ኣልጀርያ፣ ግብጺ፣ ኡጋንዳ፣ ናይጀርያ፣ ቱኒዝያ፣ ቡሩንድን ሞሮኮን እየን ተወዳዲረን። ኣብ ናይ ጁኔር ደቂ ኣንስትዮ: ኤርትራ ንራሄል ዘርእሰናይን ሳሮን ተኪኤን ከተሰልፍ እንከላ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኸኣ ከኖ ደሲሳን ጽገ ይገዙን ኣሰሊፋ። ኣብዚ 14.4 ኪሜ ዝሽፍን ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ኤርትራ፡ ግብጺን ሞሮኮን ከክልተ ተቐዳደምቲ ከሰልፋ እንከለዋ፡ ቡርኪናደፋሶ፣ ደቡብ ኣፍሪ፣ ርዋንዳ፣ ኡጋንዳን ቡሩንድን ሓሓንቲ ተቐዳዳምቲ ኣሰልፊን። ሳሮን ተኪኤ ኸኣ ሳልሰይቲ ብምውጻእ ንነብሳን ንሃገራት ነሓስ መዳልያ ኣግዚማ። ኣብዚ ውድድር ደቡብ ኣፍሪቃዊት ካይቲሊን ቶምሶንን ሞሮካዊት ራጃ ቻኪርን ቀዳመይትን ካልኣይትን ብምውጻእ ተሸለምቲ ወርቅን ብሩርን መዳልያ ኮይነን። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ናይ ትማሊ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር ንብምልኡ ተዳልዩ ዝነበረ ኣርባዕተ ወርቂ መዳልያ ከምዝወነነቶ ዝዝከር እዩ። ኤርትራ ኣብ ናይ ትማሊ ናይ ጋንታ ውድድር ኣብ ናይ ዓበይትን ናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ደቂ ተባዕትዮ ንደቡብ ኣፍሪቃን ኣልጀርያን ኣኸቲላ ቀዳማይቲ ኮይና። ኣብ ናይ ዓበይትን ናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ደቂ ተባዕትዮ'ውን ንሞሪሸይስን ግብጽን ኣኸቲላ ትመርሕ ኣላ። ኣብ ናይ ጁንየር ደቂ ተባዕትዩ ንኣልጀርያን ግብጽን ኣኸቲላ ቀዳመይቲ ክትወጽእ እንከላ ኣብ ናይ ጁንየር ደቂ ኣንስትዮ ኸኣ ንሞሮኮን ግብጽን ኣኸቲላ ቀዳማይቲ ብምዃን እያ ውድድራ ዛዚማ። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ 5 ወርቂ፣ 3 ብሩር 2 ነሓስ ብምርካብ ነቲ ውድድር ብመሪሕነት ትቕልሶ ኣላ። ኣብዚ ዝስዕብ ሰለስተ መዓልታት ዝህሉ ቅድድማት፤","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60857534"} {"headline":"መንግስቲ ግብጺ ኤርትራውያን ምጥራዝ ከቋርጾ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ","content":"ሰብ መዚ ግብጺ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ምጥራዝ ከቋርጽዎ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ። ኣምነስቲ ኢንትርናሽናል፡ እቶም ናብ ኤርትራ ዝጥረዙ ዘለዉ ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ምስ ኣተዉ ስቓይ ዝርከቦ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከጋጥሞም ከምዝኽእል ብምግላጽ’ዩ እቲ ምጥራዝ ደው ክብል ተማሕጺኑ። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት ጥራይ 31 ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ከምዝተጠረዙ ዝሕብር መግለጺ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ፤ሓደ ዕሸልን ክልተ ትሕቲ ሸውዓት ዓመቶም ህጻናትን ዝርከብዎም ካልኦት 50 ሰባት ኣብ ደቡባዊ ክፋል ከተማ ኣስዋን ተኣሲሮም ተመሳሳሊ ዕጫ ይጽበዮም ከምዘሎ ገሊጹ። ዳይረክተር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ፍሊፕ ሉተር “እዚ ግብጺ ትገብሮ ዘላ ምጥራዝ ኤርትራውያን ስደተኛታት ርኡይ ምጥሓስ ዓለምለኻዊ ሕጊ ምዃኑ ተረዲኣ ብቕልጡፍ ደው ክተብሎ ኣለዋ” ኢሉ። ንሱ ብምስዓብ “እቶም ኣቐዲሞም ናብ ኤርትራ ዝተጠረዙ ኤርትራውያን ማእሰርትን ስቓይን ከምዘጋጠሞም ዝተሰነደ መርትዖ ስለዘሎ፡ ሰብ መዚ ግብጺ እዞም ስደተኛታት መሰል ዑቕቦኦም ክሕልውሎም ኣለዎም” ኢሉ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ሰብ መዚ ግብጺ ነቶም ቀይደሞም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምስ ዩኤንኤችሲኣር ምርኻብ ከምዝኽልክልዎምን ናብ ኤርትራ ንኽጥርዝዎም ብሓይሊ ናብ ኢምባሲ ኤርትራ ኣብ ግብጺ ወሲዶም ሰነዳት ናይ ጉዕዞ ከምዘዳልውሎምን ሓቢሩ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ቁጽሪ ካብ ግብጺ ናብ ኤርትራ ዝጥረዙ ዘለዉ ስደተኛታት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ይውስኽ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ካብ 15 ክሳብ 17 መጋቢት ጥራይ ህጻናት ዝርከብዎም 31 ኤርትራውያን ከምዝተጠረዙ ገሊጹ። ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ክሳብ ታሕሳስ 2021 ኣብ ዝነበረ ግዜ’ውን ብውሕዱ 40 ኤርትራውያን ከምዝተጠረዙ እቲ መግለጺ ይሕብር። መብዛሕትኦም ኤርትራውያን መንእሰያት ግዱድን መወዳእታ ዘይብሉን ዕስክርና ብምጽላእ ከምዝስደዱ ዝሕብር እቲ መግለጺ፡ ናብታ ዝሃደሙላ ሃገር ብሓይሊ ምምላሶም ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ምእታው ምዃኑ ኣስሚሩሉ። ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021 ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ግብጺ ኤርትራውያን ምጥራዝ ከተቋርጾ ብትሪ ተማሕጺኑ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021 ኣብ ግብጺ ኣስታት 20,778 ኣብ ዩኤንኤችሲኣር ዝተመዝገቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝነበሩ የመልክት፤ እንተኾነ ብዙሓት ኣብ ትሕቲ ዩኤንኤችሲኣር ዘይተመዝገቡ ምህላዎም ስለዝፍለጥ እቲ ቁጽሪ ካብቲ ዝተገለጸ ኣዝዩ ክልዕል ከምዝኽእል እዩ ዝግመት።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60891428"} {"headline":"ሕቡራት ሃገራት ግብጺ ትወስዶ ንዘላ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዕቚባ ናይ ምጥራዝ ስጉምቲ ኮኒኑ","content":"ግብጺ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝወሰደቶ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዕቑባ ናይ ምጥራዝ ስጉምቲ ከም ዝኹንኑ ኪኢላታት ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ገሊጾም። እቲ ዘይሕጋዊን ብእኩብ ዝካየድን ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ንዓለምለኻዊ ግቡእ ሃገረ ግብጺ ዝጻረር ምዃኑ እቶም ኪኢላታት ኣነጺሮም። \"ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተወስደን ዝቕጽል ዘሎን ንኤርትራውያን ብእኩብ ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ብምኹናን፡ ሰብ መዚ ተወሳኺ ናይ ምምላስ ውጥኖም ብህጹጽ ደው ከብልዎ ጸዊዖም\" ክብል ቤት ጽሕፈት ሰባዊ መሰላት ናይቲ ውድብ ኣፍሊጡ። ቅድሚ ሕጂ ናብ ሃገሮም ካብ ዝተመልሱ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ \"ስቅያት፡ ሕማቕ ኣተሓሕዛ፡ ግዱድ ምስዋርን ጭውያን ዝርከብዎም\" ምግሃስ መሰላት ከም ዝገጠሞም ዝጠቐሰ እቲ መግለጺ፡ \"ብእኩብ ዝግበር ምጓግ ብዓለምለኻዊ ሕጊ ኩልኩል እዩ\" ኢሉ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣምነስቲ ኢንትርናሽናል ዝርከቦም ተጣበቕቲ መሰላት፡ እቶም ናብ ኤርትራ ዝጥረዙ ዘለዉ ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ምስ ኣተዉ ስቓይ ዝርከቦ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከጋጥሞም ከምዝኽእል ብምግላጽ እቲ ስጉምቲ ደው ክብል ተማሕጺኖም ነይሮም'ዮም። ኣብ ፈለማ ክልተ ሳምንቲ ናይቲ ወርሒ ጥራይ 31 ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ከም ዝተጠረዙን፡ ሓደ ዕሸልን ክልተ ትሕቲ ሸውዓት ዓመቶም ህጻናትን ዝርከብዎም ካልኦት 50 ሰባት ኣብ ደቡባዊ ክፋል ከተማ ኣስዋን ተኣሲሮም ተመሳሳሊ ዕጫ ይጽበዮም ከምዝነበረን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጠቒሱ ነይሩ። ካብ ጥቅምቲ 2021 ጀሚሩ፡ ሰብመዚ ግብጺ ቆልዑ ዝርከብዎም 68 ኤርትራውያን ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ከም ዝመለስዎም እቲ መግለጺ ጠቒሱ'ሎ። \"ሓያሎ ካብቶም ዝተጠረዙ፡ ናብ ኤርትራ ድሕሪ ምምላሶም ኣይተሰምዑ ኣይተራእዩ፤ ሰብ ኣብ ዘይረኽቦም መዳጒኒ ተቐዪዶም ከም ዘለዉ ድማ ይእመን\" ይብሉ እቶም ፍሉይ ተኸታታሊ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዶ\/ር መሓመድ ዓብደልሰላም ባቢከር ዝርከቦም ኪኢላታት። ግብጺ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ቀይዲ ብምእታው ንገሊኦም ናብ ሃገሮም ኣሕሊፋ ክትህቦም እንከላ፡ ንገለ ድማ ንዓመታት ኣብ ቀይዲ ሒዛቶም ምንጽናሓ ይዝከር። \"ሰብመዚ ግብጺ፡ ኤርትራውያን ደቂ-ተባዕትዮ፡ ደቂ-ኣንስትዮን ቆልዑን ናብ ሓደጋ ምምላስ ደው ከብልዎ ኣለዎም። ኣብ ክንድኡ፡ ግብጺ ብዝኣተወቶ ዓለምለኻዊ መብጽዓ መሰረት ሓለዋ ክህብዎም ኣለዎም\" ክብሉ ጸዊዖም ኣለዉ። ገለ ካብቶም ነቲ መጸዋዕታ ዘቕረቡ ኪኢላታት፡ ፍልይቲ ወኪል ኣብ ጉዳያት ዝተጨውዩ ሰባት፡ ብፍላይ ደቂ-ኣንስትዮን ቆልዑን ሲዮብሃን ሙላሊ፣ ፍሉይ ወኪል ንሰብኣዊ መሰላት ስደተኛታት ፈሊፐ ጎንዛለዝ ሞራለዝ፡ ከምኡ'ውን ሓደ ንግዱድ ምስዋር ሰባት ዝምልከት ሓይሊ ዕማም ጉዳያት ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ይርከብዎም። ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዝቕጽል ዘሎ ግዱድን ደረት-ኣልቦን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ናጽነታትን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ናብ ስደት ክውሕዙ ከምዝተገደዱ ጸብጻባት ይሕብሩ። ንኩነታት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ንምክትታል ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዙ መርመርቲ ናብታ ሃገር ከይኣትዉ ከምዝተኸልከሉ ክገልጹ ምንጽንሖም ይፍለጥ። ሰብመዚ ኤርትራ ግን ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝቐርብ ክስታት ምግሃስ መሰላት፡ ምስሊ ሃገሮም ንምድዋን ዝዓለመ'ዩ ብምባል'ዮም ክነጽግዎ ዝስምዑ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61112953"} {"headline":"ናይ ግብጺ ፈርዖን \"ማሚ\" ንመጀመርታ እዋን ብዲጂታላዊ መገዲ ተቐሊዑ","content":"ሬሳ ናይ ሓደ ጥንታዊ ፈርዖን ግብጺ፡ ድሕሪ ኣሽሓት ዓመታት ብዲጂታላዊ መገዲ \"ተቐሊዑ\" ንፈለማ እዋን መጽናዕቲ ተገይሉ። እቲ ካብ 1525 ክሳብ 1504 ቅ.ል.ክ ዝገዝአ ናይ ኣመንሆተፕ ማሚ (ንኣሽሓት ዓመታት ክዕቅቦ ብዝኽእል መድሃኒት ቅርጹ ሓልዩ ምስ ቆርበቱ ተገኒዙ ዝርከብ ኣስከሬን) ቅድሚ 140 ዓመታት ኣብ ደይር ኤል-ባሃሪ እዩ ተረኺቡ። ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ግና፡ እቲ ነቲ ኣስከሬን እተገብረሉ ማስኬራን ፋሻታትን ምእንቲ ከይፍንጣሕ ክኸፍቱዎ ኣይደለዩን። ይኹን እምበር ሕጂ ናይ ኮምፒዩተር ቶሞግራፊ ነቲ ቅድሚ ሎሚ ብዛዕባ ፈርዖናትን ኣቀባብራኦምን ምስጢር ኮይኑ ንዝጸንሐ ሓደ ሓደ ሓበሬታ ክድህስሱዎ ክኢሎም ኣለው። ኣብ ካይሮ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካስር ኣል-ኣይን ኣብ ናይ ሕክምና ኮሌጅ እትሰርሕ ላዕለወይቲ ተመራማሪትን ጸሓፊትን ፕሮፌሰር ራድዮሎጂ ዶክተር ሳሃር ሳልም \"ገጽ እቲ ንልዕሊ 3,000 ዓመት ተጠቕሊሉ ዝጸንሐ ንጉስ ክንርኢ ክኢልና ኣለና\" ክትብል ንቢቢሲ ሓቢራ። ዶ\/ር ሳልም፡ እቲ ልዕሊ ኩሉ ዘገረማ፡ ምምስሳል ገጽ ናይ ንጉስ ኣመንሆተፕ ቀዳማይ ምስ ወላዲኡ ኣሓሞሰ ቀዳማይ እዩ። እቲ ናይ መበል 18 ስርወ መንግስቲ፡ ቀዳማይ ፈርዖን ናይ ጥንታዊት ግብጺ፡ ጽብብ ዝበለ መንከስ፡ ጸቢብ ኣፍንጫ ፡ ለማሽ ጸጕሪ ርእሲ፡ ከምኡ እውን ላለዋይ ኣስናኑ ፍይር ዝበለ ከምዝኾነን ኣብቲ ኣካላት ኣስከሬን ዝኾነ ዓይነት ቁስሊ ናይ ዝኾነ ሕማም ከምዘይተራእያን ሓቢራ። እቶም ተመራመርቲ፡ ንጉስ ኣመንሆተፕ ቀዳማይ ብገምጋም ክሳብ 169 ሴንቲ ሜተር ቁመት ከምዝነበሮን ክመውት እንከሎ ድማ ወዲ 35 ዓመት ከም ዝዀነን ገሊጾም። ዶ\/ር ሳሌም እቲ መዋቲ ኣብ ኣዝዩ ጽቡቕ ኣካላዊ ቁመና ከምዘሎን፡ ክመውት እንከሎ እውን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና ከምዝነበረ፡ ሕማም ዘስዓበሉ ዝኾነ ይኹን ቁስልን ናይ ሕማም ምልክት ከምዘይብሉን ሓቢራ። ካብቲ ርኽበት ብምብጋስ ከኣ ብሰንኪ ረኽሲ ወይ ቫይረስ ሞይቱ ክኸውን ከምዝኽእል ትግምት። እቶም ተመራመርቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣመንሆተፕ ቀዳማይን ዝተገብረ ግንዘትን ቀብርን፡ እንተላይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣፍ ልቡ እተተራኣሰ አእዳው፡ ከምኡ እውን ካብቶም ካልኦት ዝተረኽቡ ፈረኦናት ፍልይ ብዝበለ ሓንጎሉ ከም ዘይተኣልየን ምስኡ ከምዝተቐብረን ሓቢሮም። ኣስዒቦም እውን እቲ ብማሚ እተገንዘ ኣስከሬኑ ድሕሪ ኣርባዕተ ክፍለ ዘበን ኣብ መበል 21 ስርወ ንግስነት ብካህናት እቲ እዋን \"ግቡእ ምትዕርራይን ጽገናን\" ከም እተገብረሉ ኣረዲኦም። ብመሰረት እቲ ዝተገብረሉ ስካን፡ እቲ ማሚ: ኣብቲ ክልተ ሳዕ ተጸጊኑ እተቐብረሉ እዋን: ምናልባት እውን ብሰረቕቲ መቓብር ተጎዲኡ ክኸውን ከምዝኽእል ዝሕብር ምልክት ተረኺቡ። ብዘይካዚ፡ እቶም ካህናት ካብ መገጣጥሞኡ እተፈልየ ንርእስን ክሳድን እቲ ኣስከሬን ብልሕጺ እንጣጢዕ ኣሲሮም ናብ ንቡር መሊሶም ከም ዘቕንዕዎን ፡ ነቲ ኣብ መናድቕ ከብዱ ዝነበረ ጕድለት እውን ብዓለባ ብምሽፋን ኣብ ትሕቲኡ ክልተ ክታብ ከምዘንበሩሉን፡ ነቲ ተፈንቲቱ ዝነበረ ጸጋማይ ኢድ እውን ምስቲ ሰብነት ከም ዝጠቕለሉዎን ኣርኣዩ ። ዶክተር ሳሌም: ኣመንሆተፕ ቀዳማይ ኣስታት 30 ክታብን ምስ ዝተፈለላየ \"ፍሉይ\" ወርቃዊ ዕጥቁን ብወርቂ እተሰረሐ ዓራቱን እዩ ተቐቢሩ። እቲ ሃብቲ እቶም ዝቕጽሉ ፎሮዖናት ንኽጥቀምሉ የትርፉዎ እዮም ዝብል ዝጸንሐ ክልሰ ሓሳብ እዚ ማሚ እዚ ከምዘፍረሶ ሓቢራ። ወላዲት ኣመንሆተፕ ቀዳመይቲ ውሕስነታ ንምሕላው ኣብ ዲር ኤል-ባሃሪ ሮያል ካቸ ዝበሃል ጥቓ ፍረ-ወይኒ ዝርከብ እተሓላለኸ መቓብራትን ኣብያተ-መቕደስን በቶም ካህናት ንኻልኣይ ግዜ ከምእተቐብረ እቶም ተመራመርቲ ሓቢሮም።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59815223"} {"headline":"ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ክትሳተፍ’ያ","content":"ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ካብ መጋቢት 22 ክሳብ 27፡ ግብጺ ኣብ እተአንግዶ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ፡ ክትሳተፍ'ያ። ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብቲ ኣብ ግብጺ ከተማ ሻርም ኣል ሸኽ፡ ዝካየድ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ከም እትሳተፍ፡ ሃገራዊ ፈደርሽን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ሃገራዊ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣቶ ገብረትንሳኤ ዳምር፡ ኤርትራ ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር፡ ብኽልቲኡ ጾታ ኣብ ናይ ልዕሊ ዕድመ፣ ትሕቲ 23 ዓመትን ጁንየርን ከምእትሳተፍ ነታ ንተለቪዥን ኤርትራ (ኤሪ ቲቪ) ገሊጹ። ሃገራዊት ቅድድም ብሽክልታ ኤርትራ ኣብ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር ብናይ መንእሰያት (ጁንየር) ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ'ውን ብናይ ዓበይቲን ( ሲንየር) ናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ብክልቲኡ ጾታ ክትሳተፍ'ያ። ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ናይቲ ውድድር'ውን ብናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ብናይ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ'ውን ብናይ ዓበይትን ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ብክልቲኡ ጾታ ክትሳተፍ እያ። ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ብ'ሚክስድ ሪለይ' ዝፍለጥ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ተሓናፊጾም ዘካይድዎ ውድድር ክካየድ'ዩ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ'ውን ኣብዚ ውድድር ክትሳተፍ ምዃና ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ ራብዓይ መዓልቲ ናይ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ናይ ጽርግያ ውድድር ክካየድ'ዩ፤ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብዚ ውድድር'ውን ክትሳተፍ'ያ። ኣብ ሓሙሻይን ናይ መወዳእታን መዓልቲ ናይቲ ውድድርን፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ዓበይትን ናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ከምኡ'ውን ናይ ደቂ ተባዕትዮ ናይ ዓበይትን ትሕቲ 23 ዓመትን ውድድር ብምክያድ እቲ ውድድር ክዛዘም'ዩ። ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሸክለታ ኤርትራ፡ ካብ መጀመርያ መርሒ መጋቢት ኣትሒዛ ብሓባር ተጠርኒፋ ናይ ሓባር ልምምድ ትገብር ምህላዋ ተገሊጹ። ናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ልዕሊ ዕድመን 8 ተቐዳደምቲ ዘሰልጥን፡ ሳምሶም ሰለሙን ክኸውን እንከሎ፡ ንሃገራዊት ጋንታ ደቂኣስትዮ ዮናስ ዘካርያስ፡ ንናይ ጁኒየር ተቐዳደምቲ ኸኣ ዮሴፍ ተኽላይ የሰልጥንወን ምህላዎም ተሓቢሩ። 30 ኣባላት ዝሓዘት ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 20 መጋቢት ናብ ግብጺ ከተምርሕ ምዃና ተገሊጹ ኣሎ፡፡ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክልታ ኣፍሪቃ ኣብ ቡርኪናፋሶ ክካየድ'ኳ ኣቐዲሙ ውጥን ወጺኡ እንተነበር፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ህሉው ፓሎቲካዊ ኩነታት ቡርኪናፋሶ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ግብጺ ንኽካየድ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ውሳነ ምሕላፉ ይዝከር። ኣብ ዓመት 2021 ብደረጃ ሃገራውያን ጋንታታት ቀዳመይቲ ከምኡ'ውን ብመንገዲ ቢንያም ግርማይ ቀዳመይቲ ዝተሰመየት ኤርትራ ኣብቲ ካብ 20 ክሳብ 27 ለካቲት 2022 ዝተኻየደ ዙር ርዋንዳ ተቐዳደምቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ እቲ ውድድር ዝጠልቦ ክታበት ጸረ ኮሮናቫይርስ ከማልኡ ብዘይምኽኣሎም ካብቲ ዓቢ ውድድር ምብኳራ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ ምስ ጣልያናዊት ጋንታ ድሮን ሆፐር ኣድሮኒ ጂካቶሊ ዝወዳደር ዕዉት ዙር ርዋንዳ 2020 ናትናኤል ተስፋጽዮን ነቲ ውድድር ደጊሙ ኣብ 2022 ክዕወተሉ ምኽኣሉ ብኩራታ ብዓወት ናትናኤል ተስፋጽዮን ክድበስ ክኢሉ'ዩ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60761229"} {"headline":"ቅልውላው ሱዳን፡ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ምስሕሓብ ዶባትን ዝፈጥሮ ጸቕጥን","content":"ንሱዳን ንኣስታት 30 ዓመታት ብምልኪ ዝገዝኣ ዑመር ኣልበሽር ኣብ ሚያዝያ 2019 ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣን ምስ ተኣልየ ንዝተመስረተ ቤት ምኽሪ መሰጋገሪ መንግስቲ ንኽመርሕ ስልጣን ዝተረከበ ጄነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ነቲ ዝቐጸለ ተቓውሞ ንምህዳእ ሓዲሽ መንግስታዊ መዋቕር ኣቕሪቡ። በዚ ከኣ ነታ ሃገር ንሰለስተ ዓመታት ብምምራሕ ናብ ደሞክራሲያ መንግስቲ ዘሰጋግር ልኡላዊ ናይ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ኣቚሙ ኣልቡርሃን መራሒ ኮይኑ። እቲ ቤት ምኽሪ ን39 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ስልጣን ዘለዎ ሽዱሽተ ሲቪልን ኣርባዕተ ወተሃደራዊ መኮንናትን ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ። ኣብ ርእሲኡ ቀዳማይ ሚኒስተርን ካቢነ ሚኒስተራትን ዝሓቖፈ ናይ መንግስቲ ኣካል ንክህልዎ እውን ተወሲኑ። መሪሕነት እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ካብ ሰራዊት ዝመጽአ ጀነራል ቡርሃን ክሕዞ እንከሎ ቀዳማይ ሚኒስተርነት ከኣ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ካብ ዝተቓለሱ ሲቪል ፖለቲከኛታት ዝተኸብረ ስም ዘለዎ ናይ ቁጠባ ምሁር ዓብደላ ሓምዶክ ሒዙዎ። እቲ ናይ መሪሕነት ቦታ ኣብ ክልተ ዝተመቕለ ኮይኑ ክሳብ ዝሓለፈ ሕዳር 21 ኣዋርሕ ጀነራል ቡርሃን ንልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ክመርሖ ክሳብ ኣብዚ ዓመት እዚ ክግበር ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ከኣ እቶም ሲቪል ነቲ ቦታ ሒዘምዎ ክጸንሑ እዩ ነይሩ እቲ ስምምዕ። ምጅማር ቅልውላው ሱዳን ንሰላሳ ዓመታት መመላእታ ንሱዳን ብዓብላልነት ዝመርሕ ዝነበረ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ኣብታ ሃገር ቁጠባዊ ለውጢ ክገብር ምስ ፈተነ ብዝተወልዐ ህዝባዊ ናዕቢ እዩ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ። መንግስቲ ኣብ ነዳድን ባንን ዝገብሮ ዝነበረ ድጎማ ምሰልዓሎ ብዝተፈጥረ ናይ ናብራ ምኽባር ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን ዝተወልዐ ህዝባዊ ተቓውሞ ናብ ካርቱምን ካልኦት ከተማታትን ልሒሙ። እቲ ተቓውሞ ኣብ ክብሪ ዋጋን ሕሰም ናብራን ጥራሕ ከይተሓጽረ ነቲ ዝኣረገ መንግስቲ ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ክእለ ዝጠልቡ ሓይልታት እቲ መንግስቲ ክእለ ሕቶ ምስ ኣቕረቡ ሓይልታት ጸጥታ ኣልበሽር ተሪር ስጉምቲ ምስ ወሰዱ እቲ ማዕበል ተቓውሞ መሊሱ ጉሂሩ ንኣልበሽር ካብ ስልጣን ዓልዩዎ። ከምኡ ኮይኑ ከብቅዕ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ስልጣን ምስዝሓዘ እቶም ንለውጢ ዝተቓለሱ ሓይልታት እታ ሃገር ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክትሰጋገር ጠሊቦም። ዋላ'ኳ እቲ ብጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ስልጣን እንተተቖጻጸረ ነቲ ህዝባዊ ሕቶ ክምልስን ነታ ሃገር ከረጋግኣን ኣይከኣለን። ኣብታ ሃገር ሓያል ጽልዋ ዘለዎ ሓይሊ ብዘይምዃኑ ነታ ሃገር ንምርግጋእ ፈተና ኮይኑዎ ኣሎ። ብዘይካ እቲ ሰራዊት ዝተፈላለዩ ናይ ምሊሻ ጉጅለታትን እስላማዊ ዕጡቓትን ነናይ ገዛእ ርእሶም ተራ ኣለዎም። ዓብደላ ሓምዶክ ዓብደላ ሓምዶክ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ኮይኑ ቃለ መሓላ ክፍጽም እንከሎ እቲ ቀንዲ ተልእኾኡ ነታ ሃገር ምርግጋእ፡ ዘጋጠማ ቁጠባዊ ጸገማት ብምፍታሕ ህዝባዊ መንግስቲ ንምምስራት እዩ ነይሩ። ዓብደላ ሓምዶክ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ምስተመርጸ ኣብ ህዝቢ ነታ ንነዉሕ ዘበናት ብወተሃደራዊ ሓይሊ ክትምራሕ ዝጸንሐት ሱዳን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክመልሳ እዩ ዝብል ተስፋ ኣሕዲሩ ነይሩ። ብዓውደ ቁጠባ ናይ ዶክትሬይት ዲግሪ ዘለዎ ኣብ መፋርቕ 60ታት ዕድመ ዝርከብ ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ናይ ነዊሕ ግዜ ናይ ስራሕ ልምዲ ኣለዎ። ነታ ኣብ ቅልውላው ምስግጋር ዝነበረት ሃገሩ ከገልግል ክሕተት እንከሎ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃ ብዝለዓለ ጽፍሒ ሓላፍነት የገልግል ነይሩ። ኣብ ምምሕዳር መንግስቲ ኣልበሽር ናይ ገንዘብ ሚኒስተር ኮይኑ ከገልግል ተሓጽዩ እኳ እንተነበረ ሓምዶክ ግን ነቲ ሽመት ከምዘይተቐበሎ ይዝረብ። ዋላ'ኳ ኣብ ፖለቲካዊ ሓይልታት ሱዳን ዝነበረ ዘይምርድዳእ ሃዲኡ መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም ኣብ ስምምዕ እንተተበጽሐ፡ ኣብ መንጎ መኮንናት ሰራዊትን ሲቪልን ስጡም ርክብ ኣይጸንሐን። እዚ ከኣ ኣብቶም ሲቪላዊ መንግስቲ ክቐውም ዝደልዩ ናይ ለውጢ ሓይልታት ጥርጣረ ኣሕዲሩ ጸኒሑ እዩ። ብፍላይ እቶም ወተሃደራዊ መኮንናት ኣብ ኩሉ ፖለቲካዊ ኩነታት እታ ሃገር ጎሊሖም ምስተራእዩ እታ ሃገር ተመሊሳ ኣብ ወተሃደራዊ ምሕደራ ክትኣቱ ትኽእል እያ ዝብል ስግኣት ኣሕዲሩ። ተራ ኢትዮጵያ ፕሬዝዳንት ኣልበሽር ካብ ስልጣን ተኣልዩ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ሓይልታት ሱዳን ዘይምርድዳእ ምስተፈጥረ፡ ኢትዮጵያ ብሽምግልና፡ ወተሃደራዊ ሓይልን ደለይቲ ለውጢ ሲቪል ሓይልታትን ተሰማሚዖም ናይ መሰጋገሪ ሰሌዳ ንክስእሉ ጉሉሕ ተራ ምጽዋታ ዝዝከር እዩ። ተቓወምቲ ሓይልታት፡ እቶም ወተሃደራዊ መኮንናት ኣብቲ ህዝባዊ ሰላማዊ ተቓውሞ ሰቪል ስለዝቐተሉ ኣብ መሰጋገሪ መንግስቲ ክኣትዉ የብሎምን ኢሎም ክከራኸሩ እንከለው እቶም ጀነራላት ከኣ ሃገራዊ ድሕነት ንምርግጋጽ ኣድላይ ስጉምቲ ከምዝወሰዱ ይዛረቡ ስለዝነበሩ ካልእ ዙር ደም ምፍሳስ ከይስዕብ ስግኣት ተፈጢሩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ከኣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንካርቱም ብምብራር ክልቲኦም ሓይልታት ፍልልያቶም ኣጽቢቦም ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሑ ብምግባር ዋላ እውን ንግዚኡ እንተኾነ ነቲ ዝነበረ ወጥሪ ኣብ ምህዳእ እጃሙ ተጻዊቱ እዩ። እዛ ምስ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ዶባት ዘለዋ ሱዳን ኣብቲ ብኣልበሽር እትምራሓሉ ዝነበረት እዋን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድልዱል ርክብን ምሕዝነትን እዩ ነይሩዋ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ እውን እቲ ዝምድና ክቕጽል ትደሊ ነይራ። ብፍላይ ኣልበሽር ካብ ስልጣን ተኣልዩ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት ክፍተን እንከሎ ኢትዮጵያ ርግእቲ ሱዳን ንክትሕሉ ደገፋ ከተርኢ ፈቲና እያ። ግብጺ እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ንሱዳን ኣብ ዛዕባ ህዳሰ ግድብ ኣብ ጎድና ከተሰልፋ ምኽኣላ ይዝከር። ወጥሪ ዝሰፈኖ ጉዳይ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ንነዊሕ ግዜ ከሰሓሕበን ዝጸንሐ መፍትሒ ዘይረኸበ ጉዳይ ዶብ ክፈትሓ ኮሚሽን ዶባት ኣቚመን ሓደ ሓደ ፈተነታት እኳ እንተገበራ ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ኣይከኣላን። ኢትዮጵያውያን ሓረስቶት ዝርከቡዎ ሱዳን መሬተይ እትብሎ ኣል ፋሺጋ እተባህለ ሰፊሕ ፍርያም መሬት ንሓንሳብ ክለዓል ካልእ ሳዕ ከኣ ክሃድእ ጸኒሑ። ክልቲአን ሃገራት መሬተን ምዃኑ ክዛረባ እኳ እንተጸንሓ ዝምድነአን ከይተበላሸወ ንነዊሕ ዓመታት ጸኒሐን ኣለዋ። እንተኾነ ኣብ ትግራይ ውግእ ምስ ተኸፍተ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ነቲ ምስ ሱዳን ዘሰሓሕብ ዶባት ሓዲጎምዎ ምስ ወጽኡ ሰራዊት ሱዳን ነቲ ቦታ ብሓይሊ ተቖጻጺሩዎ። ኢትዮጵያ ነቲ ተግባር ቅሉዕ ወራር እዩ እኳ እንተበለት ብሰንኪ ውሽጣዊ ዘይምርግጋኣ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ኣይወሰደትን። ሰበስልጣናት ሱዳን ብኢትዮጵያ ተታሒዙ ዝነበረ መሬቶም ከምዘምለሱ ብወግዒ ክዛረቡ እንከለው ኢትዮጵያ ግን እቲ ጉዳይ ብሰላማዊ ዘተ ጥራሕ ክፍታሕ ከምዘለዎ ብተደጋጋሚ ክትዛረብ ጸኒሓ ኣላ። እዚ ከኣ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሐ ምትእምማን ኣማህሚህዎ ኣሎ። ኣብ ርእሲኡ ኣብ ምምላእ ማይ ግድብ ሕዳሰ ምስ ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ዝነበራ ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ለውጢ ኣርእያ ኣላ። ኣብ ጉዳይ እቲ ግድብ ካብ ፈለማ ኣትሒዛ ተቓውሞ ዝነበራ ግብጺ ንእተልዕሎ ሓሳባት ብምድጋፍ ወይ ቅድሚ ሕጂ ስምምዕ ኣብ ዝተገብረሉ ጉዳያት ሕቶታት ብምልዓል ኣብ ልዕሊ ሱዳን ጸቕጢ ንምፍጣር ፈተነ ክትገብር ትረአ ኣላ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝገለጾ ኣብ ጉዳይ ሕዳሰ ግድብ ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርብ ግብጺ ወይ ሱዳን ብዘልዕለኦ ሕቶታት ምኽንያት ዛጊድ ፍረ ዘይተረኽቦ እንትኸውን፡ ክሳብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ በጺሑ። ስለዝኾነ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብዘለወን ዝነውሐ ሓባራዊ ዶባት ብተወሳኺ ህንጸት ሕዳሰ ግድብ ክዛዘም ኣብ ዝተቓረበሉ እዋን መፍትሒ ዝደልያሉ ጉዳይ እዩ። ናይ ሱዳንን ግብጽን ሰራዊት ኣብዚ እዋናዊ ምስግጋር ዝለዓለ ተራ ዘለዎ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ፖለቲካዊ ኩነታት እታ ሃገር ልዑል ተጽዕኖ ነይሩዎ። እዚ ኣካል ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሰሓሕብ ዶባት ኣብ ርእሲ ምቁጽጻሩ ምስ ሰራዊት ግብጺ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝምድና ክምስረት ክኢሉ ኣሎ። ኣብ ርእሲኡ ሰራዊት ክልቲአን ሃገራት ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ክገብሩ ኣብ ስምምዕ በጺሖም። እዚ ከኣ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ስግኣት ከምዝፈጥር ብምግባር ኣብቲ ኣከባቢ ንዘሎ ወጥሪ ኣብኢሱዎ ኣሎ። ናይ ተቓወምቲ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዘሎ ውግእን ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ብዝህነጽ ዘሎ ህዳሰ ግድብን ብዝተሓሓዘ ናይ ድሕነት ስግኣት ከምዘሎ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ይገልጹ። ናይ ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ሰበ ስልጣን ዋላ'ኳ ብወግዒ ብሱዳን ከምዝድገፉ እንተዘይተዛረቡ ብወገን ሱዳን ዶብ ሰጊሮም ክኣትው ኣብ ዝፈተኑ ዕጡቓት ስጉምቲ ከምዝወሰዱ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ክገልጹ ጸኒሖም ኣለው። እዚ ከኣ ኢትዮጵያ ብምዕራባዊ ዶባታ ንዝፍተኑ መጥቃዕቲ መተሓላለፊ መስመር ይረኽቡ ከምዘለው ዘመላኽት እዩ። ስለዝኾነ እተን ሃገራት ተረዳዲአን እንተዘይፈቲሐንኦ ናይ ጸጥታ ስግኣት ምፍጣሩ ኣይተርፍን እዩ። ንጉዳይ ዶብ ብዝምልከት ኢትዮጵያ ሰራዊት ሱዳን ናብቲ ዝነበሮ ክምለስን እቲ ጉዳይ ብዘተ ክፍታሕ ከምዘለዎ እኳ ክትሓትት እንተጸንሐት ሱዳን ግን ኣብ መርገጺኣ ጸኒዓ ወተሃደራዊ ትሕዞኣ ተደልድል ምህላዋ እዩ ዝንገር። ሰራዊት ሱዳን ብሓይልታት ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ከምእተጠቕዐን ኢትየጵያ ኣብ ከባቢ ዶባት ሰራዊታ ትኣኻኽብ ከምዘላ ክኸስስ ይስማዕ። እዚ ከኣ ንጸጥታዊ ውጥረት ክልቲአን ሃገራት ከጋድዶ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ። ድሕሪ ሓምዶክ'ከ ሕጂ ዓብደላ ሓምዶክ ንዝገደፎ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተርነት መን ከምዝትክኦ ዝተፈልጠ እኳ እንተዘየሎ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ነቲ ስልጣን ጠቕሊሉ እንተሒዙዎ ኣብታ ሃገር ዘሎ ውጥረት መሊሱ ክጋደድ እዩ። ከምኡ እውን ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ብዘለዋ ዝምድና እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ እንታይ ዓይነት መገዲ ክኽተል ከምዝኽእል እኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝጸንሐ ናይ ዶብ ምስሕሓብን፡ጉዳይ ሕዳሰ ግድብን ምስ ግብጺ ብዘለዎ ጽኑዕ ዝምድናን እቲ ኩነታት ክጋደድ ከምዝኽእል ሻቕሎት ኣሎ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59864439"} {"headline":"ግብጺ ሓተትቲ ዕቑባ ኤርትራውያን ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ምምላስ ደው ከተብል ህዩማን ራይትስ ዎች ሓቲቱ","content":"ግብጺ ዕቑባ ንዝሓቱ ኤርትራውያን ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ምምላስ ደው ከተብል ዓለምለኻዊ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ህዩማን ራይትስ ዎች ጸዊዑ፡፡ እቲ ትካል ሎሚ ብሓሙስ 27 ጥሪ 2022 ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ ሰበስልጣን ግብጺ: ህጻናት ዝርከቡዎም ሓተትቲ ዑቕባ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ይመልሱዎም ኣለዉ ክብል ከሲሱ፡፡ ግብጺ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣብ ሃገራ ዑቕባ ዝሓተቱ 24 ኤርትራውያን ናብ ኣስመራ መሊሳ ኣላ፡፡ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበሩ ኣዋርሕ እውን ካልኦት 15 ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ተባሂሉ ነይሩ፡፡ ምክትል ዳይሬክተር ህዩማን ራይትስ ዎች ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ጆ ስቶርክ ‘‘ግብጺ ናብ ሃገሮም እንተተመሊሶም ማእሰርትን ስቓይን ንዝጽበዮም ኤርትራውያን ብሓይሊ ካብ ምምላስ ተቖጢባ ናይ ዑቕባ ምሕታት መሰሎም ክትፈቅድ ይግባእ’’ ክብል ኣተሓሳሲቡ፡፡ ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘመልክቶ ኣብ ግብጺ 20 ሽሕን 778 ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኤርትራውያን ኣለዉ፡፡ ካብዚ ወጻኢ ቁጽሪ ኣብ ግብጺ ዝነብሩ ዘይተመዝገቡ ኤርትራውያን ክንደይ ከምዝኾነ ኣይፍለጥን፡፡ ህዩማን ራይትስ ዎች ከምዝብሎ እቶም ብ15 ታሕሳስ ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ዝተመለሱ ስደተኛታት ኣብ ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘይተመዝገቡ እዮም ነይሮም፡፡ እቲ ተሓላቒ መሰላት፡ ነቶም ሓተትቲ ዑቕባ ማእሰርቲ፣ ስቓይን ናብ ዝረኽቡላን ንህይወቶም ሓደገኛ ናብ ዝኾነትን ትውልዲ ሃገሮም ብሓይሊ ምምላሳ ንዓለምለኻዊ ሕጋጋት ዝጻረር እዩ ኢሉ፡፡ ብዘይካ'ዚ: ሰበስልጣን ግብጺ ስደተኛታት ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ካብ ምምላስ ብተወሳኺ፡ ኣገልጋሎት ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ከይረኽቡ ይገብሩ ኣለዉ ኢሉ፡፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ግብጺ፡ ኣብ ዝተጨናነቐ ኩነታት እኹል ምግብን መድሃኒትን ተኸልኪሎም ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዘለዉ እውን ህዩማን ራይትስ ዎች ገሊጹ፡፡ ካብቶም ኣብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ ናብ ኤርትራ ክምለሱ ዝተገበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ እቶም ትሸዓተ ተኣሲሮምሉ ካብ ዝነበሩ ቤት ማእሰርቲ ናብቲ ኣብ ካይሮ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ዝተወሰዱ ኮይኖም፡ እቲ ኤምባሲ ናብ ኤርትራ ክምለሱ ፍቓደኛታት ከምዝኾኑ ዝገልጽ ሰነድ ተገዲዶም ክፍርሙ ከምዝገበሮም ጸብጻብ እቲ ተሓላቒ መሰላት የመልክት፡፡ እቲ ትካል እሙናት ምንጪታተይ ነጊሮምኒ ኢሉ ከምዝገለጾ፡ እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዘይርደኦም ቋብቋ ዓረብኛ ኣብ ዝተጽሓፈ ሰነድ ስምምዕ ክፍርሙ ተገዲዶም እዮም፡፡ መንግስቲ ኤርትራ ዛጊድ ብዛዕባ ጸብጻብ ህዩማን ራይትስ ዎች ዝሃቦ ምላሽ የለን፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን: ካብ 8 ክሳብ 10 ዓመታት ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ዝጸንሑን ናይ ምጥራዝ ሓደጋ ኣጋጢምዎም ዝነበሩን ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተፈቲሖም ናብ ካናዳ ምስግጋሮም ይዝከር። ኣብ 'ኣል ከናተር' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤት ማእሰርቲ ተሓይሮም ዝጸንሑ ኣለም ተስፋይን ክብሮም ኣድሓኖምን፡ ኣብ ወርሒ መስከረም 2021 ሰብመዚ ግብጺ ናብ ኤርትራ ክትጥርዝዎም ምሉእ ምድላዋት'ኳ ወዲኦም እንተነበሩ፡ ግሎባል ባይቶ ይኣክልን ካልኦት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዝገበርዎ ጎስጓስ ካብ ምጥራዝ ከምዝድሓኑ ተገሊጹ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60159998"} {"headline":"ዝምታ: ልዕሊ 100 ሚልዮን ዶላር ዝትመና ከብቲ ዘጠፋፍአ ግብጻዊ","content":"ኣብ ግብጺ፡ ንሓደ ፍሉጥ ሰራቒ ዝሃድኑ ዝነበሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝርከብዎም ሰለስተ ኣባላት ፖሊስ ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት ሓቢሮም። እቶም ክልተ ናይ ፖሊስ ላዕለዎት መኮንናትን ሓደ ኣባልን ነቲ ሰራቒ ንምሓዝ ኣብ ዝውንጨፍሉ ዝነበሩ እዋን ኣብ ሓደ ጎቦታት ዝበዝሖ ከባቢ ከምዝሞቱ ተገሊጹ። ሰብመዚ ጸጥታ ግብጺ ከምዝበልዎ፡ ክልተ ጀነራላትን ሓደ ተራ ኣባልን፡ ብመኪና ኣብ ዝጓዓዝሉ ዝነበሩ እዋን'ዮም፡ ኣብ ከባቢ ኣስዋን ሓደጋ ምግልባጥ መኪና ምስ ኣጋጠሞም ሞይቶም። እቲ ብስርቂ ዝጥርጠር ውልቀሰብ፡ ሙስጠፋ ኣል-ባንክ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘዋሪ ታክሲ ሞተርብሽክሌታ እዩ። ኣብ ገጠር ኣብ ዝርከባ ዓድታት ብምኻድ፡ ንሰብ ጥሪት፡ ከብቶም ብልዑል ዋጋ ክሸጥሉ ብምእማን ብሚልዮናት ዶላራት ዝቑጸር ገንዘብ ከምዝኣከበ'ዩ ዝኽሰስ። ነቶም ሰብ ከብቲ፡ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ገንዘቦም ክህቦም ምዃኑ ቃል ብምእታው ድማ ብዘይ ገለ ክፍሊት ነተን ከብቲ ይወስደን። ወዮ ነበርቲ፡ ብፖሊስ ዝድለ ዘሎ ሰብ ምዃኑ ምስ ፈለጡ፡ ንመንበሪ ገዝኡ ኣኽቢቦም ንፖሊስ ድሕሪ ምሕባሮም ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ኪኢሉ። ኣል-ባንክ፡ በቲ ዝገብሮ ዝነበረ ምድንጋር ኣስታት 100 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ገንዘብ ከምዝወሰደ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ሓቢሮም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ሓደ ሞተርብሽክሌታ ዝዝውር ዝነበረ ሰራቒ፡ ካብ ሓደ ኣብ ማሕበራዊ ቀጥታዊ ፈነወ ዘካይድ ዝነበረ ጋዜጠኛ ቴለፎን ብምምንጣል፡ መንነቱ ምስ ኣሽሓት ተኸታተልቲ ድሕሪ ምልላዩ፡ ፖሊስ ብቐሊሉ ረኺቦም ኣብ ቀይዲ ኣእትዮሞ ምንባሮም ይዝከር።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61426047"} {"headline":"ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንግድብ ህዳሰ ብዝምልከት እንታይ በላ?","content":"ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ እተን ሰለስተ ሃገራት ነቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ዝጀመርኦ ዝርርብ ክቕጽላ ተማሕጺኑ’ሎ። እቲ ንዓመታት ዝቐጸለ ርክብ እተን ሃገራት ዛጊት ብዙሕ ውጽኢት ኣየምጽአን። ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ኣብቲ መጋባእያ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ እቲ ድርድር ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ብህጹጽ ክካየድ ከም ዝግባእ ተዛሪባ። \"ነዚ ምስሕሓብ መፍትሒ ንምርካብ፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረት እቲ ግቡእ ትካል እዩ፤ ኣመሪካ ድማ ፖለቲካውን ቴክኒካውን ደገፍ ንምግባር ድልውቲ እያ\" ኢላ። ኣብቲ መድረኽ ዘረባ ዘስምዐ ሚንስተር ማይ፣ መስኖን ጸዓትን ኢንጂነር ስለሺ በቀለ [ዶ\/ር] ግብጽን ሱዳንን ነቲ ኣብ ሞንጎ ሰለስቲኤን ሃገራት ዝግበር ልዝብ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ምውሳደን ነቒፉ’ሎ። ኣብ ዙርያ እቲ ግድብ ኣመልኪቱ ኣብ ሞንጎኦን ዝግበር ድርድር ብሸምጋልነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክቕጽል ድማ ሓቲቱ። ካብቲ ባይቶ ጸጥታ ፍታሕ ክርከብ ከምዘይክእል ብምግላጽ እተን ሃገራት ፍታሕ ክረኽባ ዝኽእል ብሕብረት ኣፍሪቃ ኣቢለን ንመትከላት ዝተኸተለ ዝርርብ ክገብራ ከለዋ ከምዝኸውን ሓቢሩ። እቲ ብሕቶ ግብጽን ሱዳንን ትማሊ ዝተኻየደ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከኣ “ናይ መወዳእታ ከምዝኸውን ተስፋ እገብር” ኢሉ። ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ዘተ ብግቡእ ይመርሖ ኣብ ዘለሉ እዋን ክልትኤን ሃገራት ነቲ ጉዳይ ናብቲ ባይቶ ምውሳደን ከምዘሕዘኖ ዝገለጸ እቲ ሚንስተር፡ “ባይቶ ጸጥታ ካብ ሓላፍነቱ ወጺኡ ኣብ ጉዳይ ማይ ፍታሕ ክህብ ምግባር ኣገባብ የብሉን” ክብል ተቓዊሙ። ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ማይ ብምምላኣ ንግብጺ ኮነ ንሱዳን ዝጎድእ ተግባር ከምዘይፈጸመት ብምሕባር ድማ ግብጽን ሱዳንን ቅድሚ ሎሚ ነኣሽቱን ዓበይትን ግድባት ክሰርሓ ከለዋ ንኢትዮጵያ ከምዘየማኸራ ጠቒሱ። “ኣባል 70 ሚኢታዊት ምንጪ ሃብቲ ማይና እዩ፤ ንኣባይ ዘይምጥቃም ኣይንኽእልን። ንሕና ከም ሱዳንን ግብጽን ኣማራጺ የብልናን። ካብ ኣባይ ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ የብልናን” ክብል ኣረዲኡ። ሚንስተር ኢንጂነር በቀለ ኣብ ሞንጎ ዘስምዖ ዘረባ ብቋንቋታት ኣምሓርኛን ኦሮሚኛን ዝተለመዱ ኣባሃህላታት ጠቒሱ ነይሩ። ብኣምሓርኛ “የአባይ ልጅ ወሃ ጠማው” [ቆልዓ ኣባይ ማይ ጸምኦ] ኣስዒቡ ድማ ብኦሮሚኛ “ጎዋን ቢሻን ኬሳ ዳበቴ ዴቦታ” [ዓሻስያ ኣብ ውሽጢ ማይ ደው ኢሉ ይጸምኦ] ዝብሉ ኣባሃህላታት’ዩ ተጠቒሙ። “እቲ ግድብ ብደም፣ ንብዓትን ረሃጽን ኢትዮጵያውያን’ዩ ዝህነጽ ዘሎ። ፈተና ጸላእና ከመይ ካብ ሓደ ሩባ ንምስታይ ክንተሓባበር ከምዝግባእ ክንመሃር ይግባእ” ኢሉ። ኢትዮጵያውያን ካብ ማይ ኣባይ ክጥቀሙ መሰሎም ከምዝኾነ ብምግላጽ ድማ ምምላእ ማይ እቲ ዲጋ ክቕየር ከምዘይክእል ተዛሪቡ። ካብ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት እተን ዝበዝሓ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ብሸምጋልነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክቕጽል ከምዝለዎ ገሊጸን ኣለዋ። ኢትዮጵያ ነቲ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ [18.5 ቢልዮን ኪዩቢክ ሜትር ማይ] ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመረቶ ኮይና ኣብ መዛዘሚ ነሓሰ ከምዝፍጸም ተሓቢሩ’ሎ። ጉዳይ ህንጸት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክረኣይ ተደጋጋሚ ሕቶ ሕቶ ከቕርባ ዝጸንሓ ግብጽን ሱዳንን ብወከልተን ኣቢለን ተሪር መርገጺኤን ኣቕሪበን ኣለዋ። ኢትዮጵያ ስሉሳዊ ስምምዕ ከይተገበረ ቀዳማይን ካልኣይን ዙር ምምላእ ማይ ምክያዳ ዝኾነና እተን ሃገራት እቲ ተግባር ንሃገራተን ጽልዋ ከምዘሕድር ገሊጸን። ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳሚህ ሹክሪ እቲ ግድብ ብዘይስምምዕ ክምላእ ምግባር፣ ህንጸቱን ናብ ስራሕ ምእታውን “ንህይወት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ግብጺ ናብ ሓደጋ ዘውድቕ’ዩ” ክብል ተዛሪቡ። “ብሕብረት አፍሪቃ ፍታሕ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን” ዝበለ እቲ ሚንስተር፡ ኢትዮጵያ ስምምዕ ከይተገበረ ንሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ብዝጎድእ መገዲ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ጀሚራ\" ክብል ከሲሱ። ኢትዮጵያ በይነኣዊ ውሳነ ከምዝገበረትን ንዓለምለኸ ሕጊ ከምዝጠሓሰትን ብምግላጽ፤ እዚ ኣካይዳ ንሰላም፣ ምርግጋእን ድሕነትን እቲ ዞባ ከምዝዘርግ ኣጠንቂቑ። “ስለዝኾነ እቲ ባይቶ ፍታሕ ክህብ ኣለዎ” ኢሉ። “ስቕ ኣይትበሉ፤ ህይወት ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ” ብምባል ከኣ ኢትዮጵያ ንሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ኣብ ዘማእኸለ ስምምዕ ከይተበጽሐ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ክትዕቀብ ሓቲቱ። ድርቂ ኣብ ዘጋጥመሉእ እዋን እንታይ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ከምኡ’ውን መጠን ማይ እንተነክዩ እንታይ ከምዝግብር ኣብ ስምምዕ ምብጻሕ ከምዘድልይ ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ግብጺ ሳሚህ ሹክሪ ኣተሓሳሲቡ። ኣብቲ ናይ ትማሊ ሓሙስ [08\/07\/2021] ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝተረኸበት ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ሚርያም ኣልሳዲግ ኣልማህዲ ነቲ ብወገን ግብጺ ዝቐረበ ስግኣት ደርቅን ምንካይ ማይን ደጊፋ። “ደርቂ ከየጋጥምን መጠን ማይ ከይንክይን ኣብ ስምምዕ ክንበጽሕ ከምኡ’ውን ክንተሓባበር ይግባእ። ኣብ ስምምዕ ከይበጻሕኻ ምምላእ ማይ ምጅማር ንህዝቢ ኡዳን ናብ ሓደጋ ዘእውት’ዩ” ኢላ እታ ሚንስተር። እቲ ግድብ ነቲ ዞባ ብቐረብ ኤለክትሪክ፣ ሓደጋ ውሕጅ ብምክልኻል ወይ ብኻልእ መገዲ ረብሓ ንኽህብ ከምኡ’ውን ንረብሓታት ሰለስቲኤን ሃገራት ዝሕልው ክኸውን እንተተደልዩ ሓበራዊ እምበር በይናኣዊ ውሳነ ክውሰን ከምዘይብሉ ሓቢራ። እቲ ብበይነኣዊ ውሳነ ዝፍጸም ምምላእ ማይ ንፖለቲካን ቁጠባን ሱዳን ከምዝጸልው ቅሬትኣ ዘቕረበት ሚርያም፡ እቲ ባይቶ ኣብ ጉዳይ ሰለስቲኤን ሃገራት ሞንጎኛ ኮይኑ ፍታሕ ክህብ ኣተሓሳሲባ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57778555"} {"headline":"ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዝግበር ዝርርብ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክቕጽል ኣለዎ ኢላ","content":"ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ግብጽን ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ግድብ ህዳሰ ንምፍታሕ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ንዝገብሮ ጻዕሪ ደጊፉ። እቲ ባይቶ ብሓሙስ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ እተን ሰለስተ ሃገራት ነቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ዝጀመርዎ ዝርርብ ክቕጽላ ተማሕጺኑ። እቲ ንዓመታት ዝቐጸለ ርክብ እተን ሃገራት ዛጊት ብዙሕ ውጽኢት ኣየምጽአን። ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ኣብቲ መጋባእያ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ እቲ ድርድር ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ብህጹጽ ክካየድ ከም ዝግባእ ተዛሪባ። \"ነዚ ምስሕሓብ መፍትሒ ንምርካብ፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረት እቲ ግቡእ ትካል እዩ፤ ኣመሪካ ድማ ፖለቲካውን ቴክኒካውን ደገፍ ንምግባር ድልውቲ እያ\" ኢላ። ርክብ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን እተን ሰለስተ ሃገራትን እወታዊ ውጽኢት ምእንቲ ክርከቦ ተዓዘብቲ እቲ ዝርርብ ካብ ዝኾኑ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣመሪካን ድጋፍን ተሞኩሮን ክወስዱ እታ ኣምባሳደር ሓቲታ። እተን ሰለስተ ሃገራት ኣብ 2015 ዝኸተምዎ ናይ መሪሕ ስምምዕን ኣብ 2020 ዝወጸ መግለጺ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ከም መበገሲ ክጥቀምሉ ከም ዝግባእ'ውን ገሊጻ። ኣውሮጳዊ ሕብረት ብወገኑ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝምራሕ ዝርርብ \"ክሕይል\" ከም ዝግባእ ብምግላጽ ደገፍ ንምሃብ ድልውነቱ ኣረጋጊጹ። ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቫሲሊ ነበንዝያ፡ ሰለስቲኦም ወገናት ነቲ ጉዳይ ንምፍታሕ ኣብ ኒውዮርክ ክራኸቡ ሓሳብ ኣቕሪባ። ኢትዮጵያ ካልኣይ መድረኽ ምምላእ ማይ እቲ ዲጋ ከም ዝጀመረት ድሕሪ ምሕባራ እየን፡ ግብጽን ሱዳንን፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ጉዳይ ክርእዮ ሕቶ ኣቕሪበን። እቲ ባይቶ ሓቛፊ ዝኾነ ስምምዕ ክብጻሕ ድፍኢት ክገብር ግብጽን ሱዳንን ይደልያ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57775150"} {"headline":"ጆሃን ሳዳት፡ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝተጣበቐት ግብጻዊት እመቤት","content":"ፕረዚደንት ኣንዋር ሳዳት ኣብ ካይሮ ወተሃደራዊ ምርኢት እናተዓዘበ ብዕጡቓት ክቕተል እንከሎ ናይ ነዊሕ ዓመታት መጻምድቱን በዓልቲ ሓዳሩን ጀሃን ሳዳት ካብኡ ሒደት ሜትር ርሒቓ ኮፍ ኢላ ነበረት። እቲ ዳሕራይ ናይ ግብጺ ፕረዚደንት ምስ ኮነ ብቃጻ ዝተቐትለ ናይ ፍቕሪ ብጻያ ፕረዚደንት ኣንዋር ኣልሳዳት ብ06 ጥቅምቲ 1981 ብኣድራጋ ጠያይቲ ክወድቕ እንከሎ ብዓይና ርእያ። ኣይጸንሐን ከኣ ድሕሪ ክልተ ሰዓት ኣብ ሆስፒታል ዓሪፉ። እዛ ኣብ 88 ዓመት ልደታ ዝዓረፈት፡ ተጣባቒት መሰልን ሰላምን ደቂ ኣንስትዮ ዓለም ቀዳመይቲ እምቤት ግብጺ ነበር ጀሃን ሳዳት ድሕሪ ሞት በዓል ቤታ ኣብ ግብጺ ማሕበራዊ ፍትሕን ክብሪ ደቀንስትዮን ንምንጋስ ንዕላማኣ ብዝበለጸ እያ ቀጺላቶ። ኣብ ኣመሪካ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካይሮ ከም ፕሮፌሰር ፖለቲካዊ መጽናዕትታ እተገልግል ኖሃ ባክር፡ \"ኣብ ህይወታ ንለወጢ ዝደፍእን ዝቃለስን ወለዶ ክመጽእ ክትቃለስ ጸኒሓ\" ክትብል ትገልጻ። ጽንኩር እማመ ብ1933 ካብ ግብጻዊ ኣቦን ብሪጣንያዊት ኣደን እተወልደን ጆሃን፡ ብክልቲኡ ባህላዊ ክብርታት ወለዳ ተኾስኵሳ እያ ዓብያ። ምስ ክርስትያን በዓለ ልደት ተኽብር ምስ ኣስላም ከኣ ዓመታዊ ጾም ሮሞዳን ትጸውም። ኣብ ቤታ ብሪጣንያውያን ዘዘውትሩዎ ኮንፍሌክስ ትቖርስ ምግቢ ግብጻውያን እውን ትምገብ። ገና ተማሃሪት መባእታ እንከላ ወለዳ፡ ነቲ ንዩኒቨሪሲቲ ክትከይድ ዝሕግዛ ዝነበረ ዓውደ ትምህርቲ ንከም ሳይንስን ሕሳብን ገዲፋ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ሓዳር ንዝሕግዛ፡ ከም ስፌት ክዳንን ምኽሻን መግብን ዝኣመሰለ ሞያ ንከተጥሪ ይደፍኡዋ ስለዝነበሩ \" ስለምንታይ!\" ዝብል ንጾታዊ ዘይምዕሩይነት ዝብድህ ሓሳብ ሒዛ ዓብያ። \"ብውሳነ ወለደይ ወትሩ እየ ዝጠዓስ። ደቀይ መጻኢአን ብዝዓጹ፡ ብኸምቲ ኣነ ዝሓለፍኩዎ መገዲ ክኸዳ ኣይክገድፈንን እየ\" ክትብል ኣብታ ኣብ ግብጺ ዘሕተመታ ንድሕረ ባይታኣ ዝገልጽ መጽሓፍ ጽሒፋ። ገና ጓል 15 ዓመት እንከላ ዳሕራይ ፕረዚደንት ግብጺ ምስ ዝኾነ ሓለቓ ሚእቲ ዝነበረ፡ ኣንዋር ዝስሙ መንእሰይ፡ ኣብ እንዳ ሓወቦኣ ተላልያቶ። ሽዑ ኣንዋር ንህላወ ብሪጣንያ ኣብ ግብጺ ብምቅዋሙ ተኣሲሩሉ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሑ። ብፍላይ ኣዲኣ፡ ንጓላ ነቲ ዳርጋ ብዕጽፊ ዕድመኣ ዝዓብያ፡ ተመርዕዩ እተፋትሐ ሰውራዊ መንእሰይ ሓዳር ክትምስርት ፍቓደኛ ኣይነበረትን። ይኹን እምበር ኣንዋር ሳዳት ንወላዲታ ብዛንታታት ቻርለስ ዲከንስ ኣብ ዝገበሩዎ ዝርርብ ምስ መሰጣ ንጓላ \"ጽቡቕ ባህሪ ኣለዎ። ግርም ገይሩ ክከናኸነኪ እዩ - ኣይከሰልክየክን እዩ\" ብምባል ንኽትምርዓዎ ፈቒዳትላ። ብ1949 ተመርዕዮም፡ ኣርባዕተ ቖልዑ ወሊዶም ልዕሊ 30 ዓመት ኣብ ሓዳር ጸኒሖም። ኣቓልቦ ግብጻውያን ዝሰሓበት ቀዳመይቲ እመቤት ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ ሳዳት ነቲ ብብሪጣንያ ዝድገፍ ዝነበረ ንጉስ ግብጺ ኣብ ምዕላው ብጀማል ዓብደልናስር ዝተወስደ ናይ ዕልዋ ተበግሶ ምስተጸምበሮ ፖለቲካዊ ኩነታት ግብጺ ንሓዋሩ ተቐየረ። ኣንዋር ሳዳት ከኣ፡ ቀልጢፉ ሓያሎ ላዕለዋይ ጽፍሒ ስልጣን ሓዘ። ብ1970 ጀማል ናስር ምስ ሞተ ኣብ ዝተገብረ ምርጫ ከኣ ፕረዚደንት ግብጺ ኰይኑ ተመርጸ። ጆሃን ካብ ኣንስቲ እቶም ቅድሚኣ ዝነበሩ መራሕቲ መንግስቲ ንላዕሊ ንጡፍ ግደ ክህልዋ ቈሪጻ ተላዕለት። በዓል ቤታ ኣብ ወጻኢ ሃገር ወግዓዊ ምብጻሕ ኣብ ዝግበረሉ እዋን ኮነ ኣብ ንቡር ህይወት ምስ በዓል ቤታ ብተደጋጋሚ ትስኣል ነበረት። ጀሃን ኣብ መወዳእታ 1960ታት ንመጀመርታ ግዜኣ ኣብ ከባቢ ደልታ ናይል ታላ ኣብ እትበሃል ገጠር ዝነብራ ጽጉማት ደቀንስትዮ ብምሕጋዝ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጀሚራ። ነተን ካብ ሰብኡተን ሓገዝ ዝጽበያ ዝነበራ ኣንስቲ፡ ቅዲ ክዳንን ስፌትን ብምስትምሃር ነብሰን ክኢለን ንኽሰርሓ ዕድል ፈጢራትለን። ኣብ ሓደ ሰብ ዘይነብሮ ዑና ኣደራሽ፡ 25 ሰፈይቲ ክዳን መካይን ብምድላው ልዕሊ ሚእቲ ደቀንስትዮ ሰሪሐን፡ መዓልታዊ ናይ ኣስታት 4,000 ሰራሕተኛታት ዩኒፎርም ዘፍርያሉ ትካል ቀይራቶ። \"ካልእ ብዙሕ ናእሽቱ ፕሮጀክታት ብምብጋስ ንደቀንስትዮ ቊጠባዊ ዓቕሚ ከምዝህልወን ገበረት። ስርሓተን ንምርኢት ብምቕራብ ከኣ ብዙሕ ካብ ምህርተን ንክሸጣ ዕድል ከፈተትለን። ደቂ ኣንስትዮ ቁጠባዊ ሓይሊ እንተ ረኺበን ፖለቲካዊ ስልጣን ከም ዝረኽባ እውን ኣስተውዓለት\" ትብል ዶር ባክር ። ጆሃን ሕብረተሰብ ገጠር ታላ ዝመርሖ ሓያሎ ፕሮጀክትታት መዊላ። ስንኩላን ወተሃደራት ኰኑ ሰላማውያን ሰባት ነብሶም ዝኽእልሉን ዝመርሕሉን ናይ ተሃዶሶ መደብ ኣዳልያ። ኣብ ሓያሎ ከተማታት ከኣ ዘኽታማት ቈልዑ ዝእለዩሉን ዝናበይሉን ፕሮጀክት ኣተኣታትያ። ሕግታት ጆሃን ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት፡ ጆሃን ደቂ ኣንስትዮ ግብጺ፡ ንሰብኡተን ክፈትሓን ንውሉዳተን ከኣ ናይ ምእላይ መሰላት ክረኽባን ዝሕግዘን ሕጊ ንኪጸድቕ ሰፊሕ ጎስጓስ ኣካይዳ። ንሳ ኣብ መጽሓፋ፡ በዓል ቤታ ፕረዚደንት ሳዳት ነቲ መሰል እቲ ንክቕበሎን ከጽድቖን ንኸተእምኖ ከምዘጸገማ ትገልጽ። \"ደቀንስትዮ ልዕሊ ፍርቂ ኣካል ህዝብና እየን። ደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ነጻ ኮይነን ክሳብ ዘይተማህራን መሰላተን ዘይተኸብረን ከኣ ግብጺ ደሞክራሲ ኣይክትሃንጽን እያ። ከም መራሒ ናይዛ ሃገር ከኣ ሓላፍነትካ ክትስከምን ግዴታኻ ክትዋጻእን ኣለካ\" ብምባል ንበዓል ቤታ ኣንዋር ሳዳት ከምዝበደሃቶ ጽሒፋ። እቲ ናይ ጆሃን ተበግሶ መሰላት ንደቀንስትዮ፡ ካብ ሓደ ሓደ ዓቃባውያን ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ጸገም እኳ እንተጋጠሞ፡ ኣብ ሓጋይ 1979 ፕረዚደንት ሳዳት ነቲ በዓልቲ ቤቱ ዝኣመመቶ ሓሳብ፡ ደቂ ኣንስትዮ ንሰብኡተን ክፈትሓን ደቀን ክናብያን ከምኡ እውን ኣብ ባይቶ 30% መናብር ንደቀኣንስትዮ ክሕዛእ ዝብል ሕጊ ኣውጽአ። እቲ ዳሕረዋይ ናይ ደቀንስትዮ ሕዙእ መናብር ከኣ ጸኒሑ ብፖርላማ ምስ ጸደቐ 'ሕግታት ጆሃን \" ብዝብል ጸደቐ። \"ጆሃን፡ ብተግባራታን ስርሓታን ህዝቢ ዓለም ብዛዕባ ደቀንስትዮ ዓረብ ዝነበሮ ኣረኣእያ ንክቕይሮን ንመጻኢ እመቤታት ፕረዚደንት ኣብ ፖለቲካ ዝያዳ ንጡፍ ግደ ንኺህልወን መገዲ ጸሪጉ እዩ\" ትብል ንጆሃን ብቐረባ እትፈልጣ ናይ ግብጻውያን ኣንስቲ ዲፕሎማት ኣደ መንበር ዝነበረት መርቫት ኮጆክ ። ጆሃን ጓል 41 ዓመት ምስ ኰነት፡ ምስቶም ሰለስተ ዓበይቲ ደቃ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ተመዝጊባ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካይሮ ስነ-ጽሑፍ ዓረብኛ ኣጽኒዓ ብዲግሪ ተመሪቓ። ቀጺላ ብተነጻጻሪ ጽሑፋት ማስተርስ ዲግሪ ረኺባ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካይሮን ኣመሪካን ክትምህር ጀሚራ። ጆሃን ሳዳት ኣብ ጸሊምን ጻዕዳን ቲቪ ናይ ዶክተረይት መጽናዕታ ከተቕርብ እንከላ ደቀንስትዮ ኣብ ዝኾነ እዋን ትምህርቲ ክቕጽላን ክዕወታን ከምዝኽእላ ናተይ ተበግሶ መርኣያ እዩ ክትብል እንከላ ትዝክር ኖሃ ባክር። ንሱ ከኣ፦ \"ኣብ መወዳእታ 30ታት ዕድመይ፡ ቖልዑ ድሕሪ ምውላደይ፡ ናይ ፒኤችዲ ትምህርተይ ንክቕጽል ናብ ዩኒቨርሲቲ ንክምለስ ዝደረኸኒ ተበግሶኣ እዩ። ከምኡ ድማ ገይረ\" ትብል። መበለት ጓል 46 ዓመት ኣንዋር ሳዳት ድሕሪ ብዙሕ ሰላማዊ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕሪ ናይቲ ሽዑ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጂሚ ካርተር ብ1978 ምስ እስራኤል ናይ መጀመርታ ውዕል ሰላም ዝፈረመ መራሒ ሃገራት ዓረብ ኰነ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ንሱን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል መናሃይም በጊን ብሓባር ናይ ሰላም ኖቤል ተሸሊሞም። እቲ ውሳነ ንብዙሓት ግብጻውያን ኣቘጢዕዎም፣ ኣንጻሩ እቲ ስምምዕ ከኣ ተሪር ተቓውሞታት ገይሮም። ኣብ ፈለማ ጆሃን ንባዕላ እውን እቲ ስጉምቲ ሰጋእ ኣቢሉዋ ነይሩ፡ ዳሕራይ ግን ነቲ ሓሳባት ደጊፋቶን ደፊኣትሉን። ሓደ እዋን፡ \"እቲ ናይ ሰላም ሓሳባቱ ንዓይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንብዘሎ ሃገራት ዓረብ ዘሰምብድ እዩ ነይሩ\" ክትብል ንናይ ኣይሁድ መርበብ ሓበሬታ ተዛሪባ ነይራ። ኣንዋር ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ተቐባልነት ዝረኸበ ግን ከኣ በቶም ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝነብሩ ደገፍቱ እተዀነነ ታሪኻዊ ናይ ሰላም ውዕል ድሕሪ ምኽታሙ ክልተ ዓመት ጸኒሑ፡ ነቲ ግብጺ ብ1973 ምስ እስራኤል እተዋግኣትሉ እዋን ንምዝካር ኣብ ካይሮ ኣብ እተገብረ ወተሃደራዊ ምርኢት፡ ሓደ ጕጅለ ኣኽረርቲ እስላም ተኲሱ ቀቲሉዎ። ጆሃን፡ ክልቲኦም ነቲ ውዕል ሰላም ምፍራም ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ከምዘሎ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ብ2015 ምስ ቢ.ቢ.ሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መሕተት ከኣ ንበዓል ቤታ ናይ ጥይት መከላኸሊ ክዳን ክኽደን ከም ዝነገረቶን ንሱ ግን \"ንድሕንነቱ ግዲ ስለዘይገበረሉ\" ከምዝኣበያ ሓቢራ። ጆሃን ሰብኣያ ክቕተል ከሎ ጓል 46 ዓመት እያ ነይራ። ድሕሪ ሞት በዓል ቤታ ከኣ ነቲ ዝተረፈ ግዜኣ ኣብ ዓለም ምእንቲ ሰላም ዝኽፈል ዋጋ ከቢድ ምዃኑ ቀጻሊ ኣስተምህሮ ብምሃብ ንሓድጊ በዓል ቤታ ትቕጽሎ ነይራ። \"ሰላም። እዛ ቃል እዚኣ፡ ቀንዲ ፍረ ነገር ህይወተይ እያ። ቅድሚ ሙማታ 12 ዓመት ይገብር፡ ወትሩ ሰላም ክረክብ ተስፋ እገብርን እጽልን እየ \"ክትብል ጽሒፋ። ጆሃን ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት መበል 88 ዓመታ ብሕማም ዓሪፋ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57816208"} {"headline":"ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ንዓቢ ግድብ ህዳሰ ዝኸውን 3 ሚልዮን ብር ኣዋጺኦም","content":"ብመንገዲ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ንዓቢ ግድብ ህዳሰ ዝኸውን ገንዘብ ንምውጻእ ዝተመስረተ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ልዕሊ 70 ሽሕ ዶላር [ልዕሊ 3 ሚልዮን ብር] ከም ዘዋጽኡ ክፍሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ዳይሬክተር ህዝባዊ ርክባት ኣቶ ሞጎስ መኮነን ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰዓት ብማእከላይ ገምጋም 1500 ዶላር ይዋጻእ ከም ዘሎ ሓቢሩ። ክሳብ ሕጂ ብዘሎ ጸብጻብ ብደረጃ ኣህጉር ኣብ ኣፍሪቃ፣ ሰሜን ኣሜሪካን ዝበዝሐ ገንዘብ ይዋጻእ ምህላዉ ጠቂሱ። ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝነብሩ ልዕሊ 50 ሽሕ ዶላር ክዋጻእ እንከሎ፤ ብሓፈሻ እቲ ገንዘብ ካብ ልዕሊ 600 ሰባት ዝተረኸበ ምዃኑ ተሓቢሩ። እቲ ናይ ምውጻእ መስርሕ ዋላ እኳ ናይ ግዜ መቃን እንተዘይተቐመጦ ሓደ ሚልዮን ዶላር ንምእካብ ተተሊሙ ምህላዉ እቲ ሓላፊ ገሊጹ። እቲ ሓላፊ ብምስዓብ “ነዚ ኣጀማምርኡ ብምርኣይ እቲ ሓደ ሚልዮን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክኣክል ከም ዝኽእል ዘርኢ እዩ” ኢሉ። ኣቶ ሞጎስ እቲ ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታ ዝግበር ዘሎ ናይ ገንዘብ ምውጸእ፡ ነቶም ኣብ ደገ ዝነብሩን ኣብ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ከበርክቱ ዝደልዮን ‘ንሃልኮም ንምቅላን’ ተሓሲቡ ከም ዝተገበረ ተዛሪቡ። ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝቢ ክሕግዝ ምስ ዝደሊ ነዊሕ ሰዓታት ብመኪና ወይ ብኻልእ ዓይነት መጓዓዝያ ተጓዒዙ ናብ ኢምባሲታት ወይ ቆንስላት ናይ ኢትዮጵያ ክኸይድ ይግደድ ከም ዝነበረ ዝሕብር ኣቶ ሞጎስ ሓጂ ግን እቲ ኣገባብ ከም ዝሓጸረን ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ሓገዞም የበርክቱ ከም ዘለዉን ጠቂሱ። እቲ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ቅድሚ 10 ዓመት ካብ ዝጀመረሉ ኣትሒዙ ብመንገዲ ናይ ቴሌፎን፣ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ፣ ብመልክዕ ቦንድን ካልእ ኣገባባትን ገንዘብ ክዋጻእ ጸኒሑ እዩ። ኣቶ ሞጎስ፡ እቲ ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታ ዝተጀመረ ናይ ገንዘብ ምውጻእ ዝሃቦ ውጽኢት ብምርኣይ ”ኣብ ዝኾነ ጫፋ ናይዛ ዓለም ዝርከብ ኢትዮጵያዊ ኾነ ትውልደ ኢትዮጵያዊ ነቲ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ሓገዝ ዘበርክተሉ ዕድል ክጽበ ከም ዝጸንሐ ዘርኢ’ዩ” ኢሉ። እቲ ገንዘብ፡ ኢትዮጵያ ብሕጽረት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ኣብ ትፍተነሉ ዘላ ይዋጻእ ምህላውን ዓቢ ግድን ህዳሰ ቀልጢፉ ንኽዛዘም ዝሕግዝ ምዃኑን ኣቶ ሞጎስ ሓቢሩ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57980654"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ምትእትታው ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ 'ሓጋዚ' ኣይኮነን ኢላ","content":"ኢትዮጵያ ኣብቲ ንነዊሕ እዋን ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ ዓባዪ ግድብ ህዳሰ፡ ሕቡራት ሃገራት ጣልቃ ምእታዉ \"ሓጋዚ\" ኣይኮነን ኢላ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ \" ከይዲ ናይቲ ዘተ ተጓቲቱን ፖለቲካዊ መልክዕ ክሕዝ ተገይሩን ምርኣይ የሕዝን'ዩ\" ክብል ገሊጹ። ብተወሳኺ \"እዚ ውጽኢታዊ ከምዘይኮነን እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምውሳድ እውን ዘይጠቅምን ካብ ሓላፍነት እቲ ቤት ምኽሪ ወጻኢ ምዃኑን ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ቅዋማ ግልጺ ገይራ እያ\" ኢሉ። ኢትዮጵያ፡ ህንጸት እቲ ህዳሰ ኢላ ዝሰየመቶ ዓብዪ ግድብ፡ ምስ ኣብ ታሕተዋይ ተፋሰስ ናይል ምስ ዝርከባ ሃገራት ሱዳንን ግብጽን ንዓሰርተ ዓመት ከሰሓሕባ ጸኒሑ እዩ። እታ ሃገር ትማሊ ኣብ ዘውጸአቶ መግለጺ፡ ንጉዳያት ሰለስቲአን ሃገራት ንምፍታሕ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝመርሖ ዘተ ጠቓሚ ከምዝኾነን ፡ እቲ ከይዲ ክሰልጥ ብተወፋይነት ከምእትሰርሕን ገሊጻ ኣላ። ህንጸት እቲ ግድብ ንዕብየታ ኣዝዩ ጠቓሚ ከምዝኾነ እትገልጽ ኢትዮጵያ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ጀሚራ ኣላ። ሃገራት ሱዳንን ግብጽን ግና መጠን ቀረብ ማይ ዜጋታተን ከጉድለልና ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለወን። ህንጸት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ምስተዛዘመ፡ 6 ሽሕ ሜጋ ዋት ጸዓት ብምፍራይ፡ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ክኸውን እዩ። 65 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ድማ፡ ካብ'ዚ ጸዓት ተረባሕቲ ክኾኑ ትጽቢት ይግበር። ኣብ 2011 ዝጀመረ ህንጸት እቲ ግድብ፡ ኣብቲ ንፈለግ ናይል 85 ሚእታዊት ማይ ዘበርክት ሩባ ኣባይ'ዩ ዝህነጽ ዘሎ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57832731"} {"headline":"ዓብዪ ግድብ ህዳሰ፡ ኢትዮጵያ ማይ ምምላእ ከተቋርጽ ዘይትኽእለሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ","content":"እቲ ሓይሊ ኤለክትሪክ ንምምንጫው ኣብ ፈለግ ኣባይ ዝህነጽ ዘሎ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ግብጺ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ንነዊሕ ዝዘለቐ ምስሕሓብ ዝፈጠረ ኮይኑ: ጌና መዕለቢ ኣይረኸበን ኣሎ። እቲ ኩነታት ናብ ግጭት ከየምርሕ ስግኣት ተፈጢሩ ኣብ ዝርከበሉ እዋን፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ዛዕባ ንመጀመርታ ጊዜ ንምዝታይ ሓሙስ ተጋቢኡ ነይሩ። ግብጽን ሱዳንን፡ ኢትዮጵያ ንኻልኣይ ዓመት በይነኣዊ ስጉምቲ ብምውሳድ፡ ነቲ ግድብ ማይ ክትመልእ ምጅማራ ከሲሰን። ንጠለብ ማይ ዳርጋ ምሉእ ንምሉእ ኣብ ፈለግ ኒል እትምርኮስ ግብጺ፡ ነዚ ከም ናይ ህላወ ሕቶ እያ ትርእዮ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቀረብ ማይ ሱዳን ብሰንኪ ምምላእ እቲ ግድብ ጸገማት ኣጋጢሙ ነይሩ። ኢትዮጵያ ብወገና እቲ ግድብ ብሚልዮናት ንዝቑጸሩ ዜጋታታ ኤለክትሪክ ንምቕራብ ከም ዘድልያ ትገልጽ። ግብጽን ሱዳንን ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ዘውጽእኦ ሓባራዊ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ብዘይ ሓባራዊ ስምምዕ \"ብሕማቕ ተበግሶ\" ነቲ ዲጋ ማይ ትመልኦ ኣላ ብምባል፡ እቲ ዲጋ ኮነ ኢልካ ይምላእ ምህላው ኣመላኺተን። እንተኾነ ግና እዚ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ዲጋ ናይ ምምላእ መስርሕ ከም ድላያ እትቆጻጸሮ ዘስምዕ ጌጋ መረዳእታ ዝፈጥር እዩ። ክቋረጽ ኣይክእልን? ኣይፋሉን። እቲ ብድሕሪ እቲ ግድብ ዘሎ ዲጋ ኣብ እዋን ክራማት ሩባ ኣባይ ብተፈጥሮኣዊ መገዲ እዩ ዝመልእ፤ እዚ ድሮ ዝጀመረ ኮይኑ ክሳዕ መስከረም ዝቕጽል እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ጉዳይ ዲጋ ህዳሰ መጽናዕትታት ዘካየደ ተመራማሪ ዩኒቨርስቲ ማንቸስትር መሓመድ በሽር ዓቐን ማይ ጥርዚ መንደቕ እቲ ግድብ ክሳዕ ዝበጽሕ \"ብዓይኒ ምህንድስና፡ ብዓይኒ ፊዚክስ ንምምላእ እቲ ዲጋ ሕጂ ደው ምባል ኣይከኣልን\" ይብል። ናይዚ ምኽንያት፡ መጠን ናብቲ ዲጋ ዝኣቱ ማይ ካብቲ ብኽልተ መተንፈሲ ዝወጽእ (መዓልታዊ ካብ 60 ክሳዕ 110 ሚልዮን ሜተር ኪዩብ) ስለ ዝዛይድ እዩ። ካብቲ ህንጸት እቲ ግድብ ዝተጀመረሉ 2011 ጀሚሩ፡ እቲ መንደቕ ኣብ ከባቢ ሩባ ኣባይ እዩ ክህነጽ ጸኒሑ። ዋሕዚ እቲ ማይ ድማ ክቕጽል ጸኒሑ። ሰብ ሞያ ህንጻ ኣብ ገምገም እቲ ሩባ ብዘይ ጸገም ንጥፈታቶም የሰላስሉ። ኣብቲ መጠን እቲ ማይ ዝውሕደሉ እዋናት ድማ እቲ ሩባ ብመትረባት፡ ወይ ትቦታት ከም ዝሓልፍ ብምግባር ገለ ክፋል እቲ መንደቕ ይህነጽ። ኣብዚ እዋን ካብቲ ማእከላይ ሸነኽ እቲ መንደቕ ዝበዝሐ ኣብ ምዝዛም ዝርከብ ኮይኑ፤ ክሳዕ 2024 ክቕጽል እዩ። ሽዑ ብራኺኡ ካብ ጸፍሒ ባሕሪ 640 ሜትር ክበጽሕ እዩ። ባይታ እቲ ሩባ ካብ ጸፍሒ ባሕሪ 509 ሜትር ብራኸ ኣለዎ። ዲጋ ህዳሰ ኣብ ቀዳማይ ዓመት፡ 4 ቢልዮን ሜተር ኪዩብ ማይ ክኽዝን እንከሎ መሊኡ ክፈስስ በቒዑ እዩ። ኣብ ዲጋ ህዳሰ ገምጋም ዓመታዊ ፍሰት ማይ ሩባ ኣባይ፡ 49 ቢልዮን ሜተር ኪዩብ እዩ። ዓሚ ግና ኣብ ዝሓለፈ 100 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ መዓልታዊ መጠን ፍሰት ማይ ብምርኣዩ፡ ካብቲ ኣብ መላእ ዓመት ክኽዝኖ ዝግባእ ዝነበረ ፍሰት ሒደት መጠን ጥራሕ'ዩ ወሲዱ። ኣብዚ ዓመት ተወሳኺ 13.5 ቢልዮን ሜተር ኪዩብ ማይ ንምኽዛን እዩ ተተሊሙ ነይሩ። ካብ ሱዳን ዝተረኽበ ናይ ሳተላይት ስእልታት ከም ዘርእዮ ግና ህንጸት እቲ መንደቕ ከምቲ ዝተወጠነሉ ክሳለጥ ኣይከኣለን። እዚ ማለት ድማ ብዙሕ ማይ ክፈስስ እዩ። ሚኒስትሪ ማይ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን ናብ ሱዳን ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ግና፡ እቲ ግድብ ከምቲ ዝተወጠነሉ ማይ ክዕቅብ ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ ሓጋይ መጠን ማይ እቲ ግድብ ስለ ዝጎድል፡ መናድቕ እቲ ግድብ ክህነጽ እዩ፤ ኣብ ሳልሳይ ዓመት ድማ ዝያዳ ማይ ክኽዘን እዩ። ኢትዮጵያ ነቲ ዲጋ ኣብ ዝቕጽል ኣርባዕተ ክሳዕ ሽዱሽተ ዓመታት ምሉእ ብምሉእ ማለት 74 ቢልዮን ሜተር ኪዩብ፡ ከም እትመልኦ እያ ትገልጽ። ሽዑ እቲ ዝፍጠር ቀላይ ንድሕሪት ክሳዕ 250 ኪሜ ክዝርጋሕ ከም ዝኽእል ይግለጽ። ኣብ መንጎ ክልተ ናይ ክረምቲ ወቕትታት መጠን ማይ እቲ ዲጋ ናብ 49.3 ቢልዮን ሜተር ኪዩብ ክወርድ እዩ። ግብጺ ንዓብዪ ግድብ ህዳሰ ከም ንህልወናኣ ዝዳረግ ስግኣት እያ እትርእዮ። ምሉእ ብምሉእ ኣብ ማያት ኒል ስለ እትምርኮስ ኣብ ፈለግ ኒል ንዝፍጠር ኩሉ ብቐረባ እያ ትከታተሎ። ግብጺ ዘይጎድል ዝተወሰነ መጠን ማይ ክረጋገጸላ ትጠልብ። ኣብ እዋን ምምላእ፡ ግብጺ ካብ ዲጋ ላዕለዋይ ኣስዋን ማይ ብምፍናው ክተከሓሕስ ትኽእል እያ፤ እቲ ሻቕሎት ግና ግድብ ህዳሰ ምሉእ ኣገልግሎት ክህብ ምስ ዝጅምር ዝመጽእ ነገራት እዩ። ምምላእ እቲ ግድብ ምስ ተዛዘመ፡ ኢትዮጵያ ክንዲምንታይ መጠን ዘለዎ ማይ ክትፍንው እያ ኣብ ዝብል ክትቅየድ ኣይትደልን እያ። ቀዳምነታ፡ ነቲ ምስ ተዛዘመ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ማያዊ መመንጨዊ ሓይሊ ኤለክትሪክ ዘንቀሳቕስ እኹል ማይ ምሓዝ እዩ። ኣብቲ ንቡር እዋናት ዝናብ ጸገም ኣይኸውንን፤ እንተኾነ ግና ንዓመታት ዝቕጽል ዝተናውሐ ድርቂ እንተኣጋጠመ እንታይ ክኽሰት እዩ ዝብል ንግብጺ ኣሻቒልዋ ኣሎ። ኢትዮጵያ ኣብ ዲጋ ህዳሰ ማይ ክትክዝን እያ፡ ኣብ ዲጋ ላዕለዋይ ኣስዋን ግብጺ ዘሎ መጠን ማይ'ውን ክጎድል ክጅምር እዩ። ብድሕሪኡ እቲ ዳግም ናይ ምምላእ መስርሕ ከመይ ክኸውን እዩ ዝብል'ውን ካልእ ሕቶ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ 12 ኣዋርሕ ሱዳን ኣብቲ ዲጋ ዘለዋ መርገጺ ካብ ብጽቡቕ ምቕባል ናብ ተጠራጣሪትን ኣብ ኲናት ምጽማድን ተሰጋጊሩ ኣሎ። እዚ ናይ ሱዳን ናይ መርገጺ ለውጢ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ምምላእ ማይ ድሕሪ ምርኣይ ምዃኑ በሽር ይነግር። ብደረጃ ክልሰ ሓሳብ፡ ግድብ ህዳሰ ነቲ ናብ ሱዳን ዝፈስስ ማይ ብምቁጽጻር ንሱዳን ካብ ዘይተሓስበ ውሕጅ ክገላግላ ይኽእል እዩ። እንተኾነ ግና ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኢትዮጵያ ካብቲ ኣርባዕተ መሕለፊ ማይ ትቦታት ነቲ ሰለስተ ምስ ዓጸወት ኣብ ሱዳን ስንባደ ፈጢሩ እዩ። እዚ ኣብ መጠን እቲ ማይ ምጉዳል ከስዕብ እንከሎ ሱዳን ንመስኖን ዘቤታዊ ሃልክን እትጥቀመሉ ማይ ምኩልላፍ ኣጋጢሙ ነይሩ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57764873"} {"headline":"ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዙርያ ግድብ ሕዳሰ ርኡይ ተራ ኣይክህልወንን’ዩ ኢሉ","content":"ግብጽን ሱዳንን ብመሰረት ዘቕረብኦ ሕቶ ኢትዮጵያ ትሃንጾ ዘላ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኣቶኵሩ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ክእከብ'ዩ ዝተባህለ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ርኡይ ተራ ከም ዘይህልዎ ተገሊጹ። ኣካቢ እቲ ባይቶን ኣምባሳደር ፈረንሳ ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ዝኾነ ኒኮላስ ሪቪዬር ንጋዜጠኛታት ከም ዝበሎ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ኣብ ዙርያ ግድብ ሕዳሰ ክዝቲ ይኽእል እዩ ኢሉ። ይኹን'ምበር ንሰለስቲኤን ሃገራት ብምዕዳም ስግኣተን ክገልጻን ኣብ ስምምዕ ክበጽሓሉ ዝኽእላ ልዝብ ንክገብራን ካብ ምትብባዕ ሓሊፉ ካልእ ዝገብሮ ከም ዘየለ ሓቢሩ። \"እቲ ቤት ምኽሪ ካብኡ ሓሊፉ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ኣሎ ኢለ ኣይሓስብን\" ክብል ተዛሪቡ። ኢትዮጵያ ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ክትጅምር ኣብ ትሽባሸበሉ ኣብ ዘላ እዋን ሱዳንን ግብጽን ካብቲ ቤት ምኽሪ ብተወሳኺ እቲ ጉዳይ ናብ ሊግ ዓረብ ብምውሳድ ጸቕጢ ከሕዳር ጻዕሪ ገይረን። ክልቲአን ሃገራት ሕጋውን ኣስገዳድን ስምምዕ ከይተፈረመ፡ ኢትዮጵያ ማይ ምምላእ ክትጅምር ከም ዘይብላ'የ ዘቂጠን ዝማጎታ ዘለዋ። ኢትዮጵያ፡ እቲ ልዕሊ 5ሽሕ ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከም ዘመንጪ ዝዝረበሉ ግድብ ካብ ዝህልዎ ረብሓ ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ሩባ ኣባይ ዘሕድሮ ጽልዋ ከም ዘየለ ብምግላጽ ኣብ ስምምዕ ይበጻሕ ኣይበጻሕ ኣብዚ ወርሒ ማይ ምምላእ ከም እትጅምር ትገልጽ። ሰለስቲአን ሃገራት ብተደጋጋሚ ኣብ ዙርያ ምምላእን ምፍናውን ማይ እቲ ግድብ ዘካይድኦም ልዝባት ብዘይ ፍረ ተበቲኖም'ዮም። ግብጽን ሱዳንን እቲ ግድብ ካብ ሩባ ኣባይ እንረኽቦ መጠን ማይ ክንክዮ'ዩ ክብላ እንከለዋ ኢትዮጵያ ግን እቲ ግድብ ዝሕዞ ማይ ን65 ሚሊዮን ዜጋታታ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምቕራብ እትጥቀመሉ ስለ ዝኾነ ጸገም ኣይፈጥርን ዝብል ሞገት ኣለዋ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57691993"} {"headline":"ግድብ ህዳሰ: ሱዳን ነቲ ብኢትዮጵያ ዝቐረበ እማመ ምምላእ ማይ ከምዘይትቕበሎ ኣፍሊጣ","content":"ሱዳን፡ እቲ ህንጸቱ ዳርጋ ኣብ ምዝዛም ዝርከብ ግድብ ህዳሰ ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ማይ ኣመልኪቱ ካብ ኢትዮጵያ ዝቐረበ እማመ ሓሳብ ነጺጋ። ሮይተርስ ንሓደ ስሙ ክጽራሕ ዘይደለየ ሱዳናዊ በዓል ስልጣን ጠቒሱ ከምዝጸብጸቦ፡ ንካልኣይ ዙርያ ማይ ምምላእ ናይቲ ግድብ ኣመልኪቱ ብኢትዮጵያ ዝቐረበ ሓሳብ፡ 'ዘይጭበጥ'ን 'ግዜ ንምንዋሕ' ኮነ ተባሂሉ ዝቐረበ እዩ ክብል ተቓዊሙ። ወሲኹ ድማ ከምዚዓይነት ሓሰብ፡ ንኹሉ ኣባል ሃገራት ዘካተተ እንተዝኸውን ብመገዲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቢሉ ክቐርብ ይግባእ ነይሩ ኢሉ። እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ ላዕለዋይ በዓልመዚ ሱዳን፡ እቲ ብኢትዮጵያ ዝቐረበ ሓሳብ ብሓፈሻ ዘይሕሰብን ካብ ክሊ ከይዲ እቲ ልዝብ ወጻኢ ዝኾነ ምዃኑን ገሊጹ። እቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ፡ ሮይተርስ ንሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጅን ስለሺ በቀለ ሕቶ እንተቕረበ'ኳ፡ ምላሽ ኣይረኸበን። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ማሪያም ኣል ማሐዲ፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኢዱ ከእቱን ኢትዮጵያ ብኢደ ወነና ማይ ካብ ምምላእ ክትቑጠብን ምሕታታ ዝዝከር እዩ። ኢትዮጵያ፡ ቀዳማይ ደረጃ ማይ ምምላእ እቲ ግድብ ምስ ኣሳለጠት፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሓምለ ካልኣይ ዙር ዝሓሰበቶ ውጥን ካብ ምግባር ዝእግዳ ከምዘየለ ክትገልጽ ምጽናሓ ይፍለጥ። ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ኣብዚ ዓመት እንተዘይተሰሊጡ፡ ዓቢ ኪሳራ ከምዘስዕበሉ ዝገልጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ጎናጎኒ እቲ ልዝብ፡ ማይ ናይ ምምላእ ስራሕቲ ከምዝሳልጥ እዩ ዝገልጽ። ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ሚኒስተር መስኖ ሱዳን፡ ፕሮፌሰር ያሲር አባስ፡ ኣብ ገለ ወሰንቲ ጉዳያት ቅድመ ስምምዕ ምግባር እንተተኻኢሉ፡ ሃገሩ ንካልኣይ ዙር ማምላእ ማይ እንተቐጸለ ከምዘይትቃወም ገሊጹ ነይሩ። ሱዳን፡ ሰለስተ መሰረታዊ ቅድመ ኩነት ዘቕመጠት ኮይና፡ ድሕሪ ማይ ምምላእ እቲ ልዝብ ክቕጽል ምዃኑ ዘተኣማምን መረጋገጺ እንተሂባ፤ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝተኻየዱ ልዝባት ናይ መወዳእታ ክታም ክዓርፈሉን፡ ብቐጻልነት ልዝብ ዝካየደሉ ግዜ ገደብ ብግልጺ ክሰፍርን ዝብል ይርከቦም። እዚ ምስ'ቲ፡ ግብጽን ሱዳንን ቅድም ክብል ዝሓዝኦ ተሪር መርገጺ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዚ ናይ ሕጂ ናይ ሱዳን መግለጺ፡ ዓቢ ለውጢ ተገይሩ ተወሲዱ ነይሩ። ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ግብጽን፡ በቲ ኢትዮጵያ ነቲ ንምዝዛሙ ቅሩብ ዝተረፎ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ካልኣይ ግዜ ንኽትመልእ ዘውጽኣቶ ውጥን ኣብ ሓደ ስምምዕ ክበጽሓ ስለዘይከኣላ ኣብ ምትህልላኽ እየን ዘለዋ። እቲ ኢትዮጵያ ትሃንጾ ዘላ ዓቢ ግድብ ህዳሰ፡ ኣብ ሩባ ኣባይ ስለዝተሃንጸ፡ ሱዳንን ግብጽን ቀንዲ ምንጪ ጽሩይ ማየን ዝኾነ ኒል መጠን ማዩ ከየጉድሎ ዓቢ ስግኣት ከምዘለወን'የን ዝገልጻ። ኢትዮጰያ ከኣ ኣብ እዋን ክረምቲ ካልኣይ ገጽ ምምላእ እቲ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ከምእተካይድ እያ ትሕብር ዘላ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ሞንጎ ሰለስቲኤን ሃገራት (ኢትዮጵያ፤ ሱዳንን ግብጽን) ክግብር ዝጸንሐ ዘተታት ዝኾነ ፍረ ስለዘይተረኸቦ፡ ንኣመላልኣ እቲ ዓቢ ግድብ ኣመልኪተን ኣብ ሓደ ስምምዕ ከይብጽሓ ኢትዮጵያ ምምላእ ከይትጅምር'ሞ ናብ ዝኸፈአ ምስሕሓብ ከይኣትዋ ስግኣት ኣሎ። ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቀዳማይ ገጽ ምምላእ ኣብ ዘካየደትሉ'ውን ሱዳንን ግብጽን በቲ ሓሳብ ናይ ኢትዮጵያ ኣይተሰማማዓን ነይረን። ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ኣብ ዘተ ሰለስቲኤን ሃገራት ዳርጋ ሰማዒት ጥራይ ኮይና እያ ትኸይድ ነይራ። ሕዚ ግና ምስ መርገጺ ናይ ግብጺ ብምስምማዕ: ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኣብ ሱዳን ከምጽኦ ዝኽእል ጸገማት ኣብ ምጉስጓስ ትርከብ። ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዝካየድ ድርድር ክቕጽል ንምግባር በመገዲ ሕብረት ኣፍሪቃ ንጉባኤ ምጽዋዕ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጻ ነይራ። ክልቲአን ሃገራት ብወገነን፡ ከም ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣውሮጳን ዝኣመሰሉ ዓለም ለኻዊ ትካላት ኢዶም ክሓውሱ እየን ዝጠልባ። ግድብ ህዳሰ . . . ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት ህንጸቱ ክዛዘም ትልሚ ተታሒዙሉ ዝተጀመረ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ከይተዛዘመ ናብ ዓሰርተ ዓመት ይኸይይድ ኣሎ። ህንጸቱ ምስተዛዘመ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ግድብ ከምዝኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ህዳሰ: ኣብዚ እዋን 80 ሚኢታዊት ስራሕቱ ከምዝተወገነን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ሓይሊ ከመንጩ ተስፋ ከምዘሎን ይግለጽ። ልዕሊ 5 ሺሕ ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤለክትሪክ\/ጸዓት ከመንጩ ትጽቢት ዝግበረሉ እቲ ግድብ: ህንጸቱ ተዛዚሙ ናብ ኣገልግሎት ኣብ ዝኣትወሉ እዋን: ንልዕሊ ፍርቂ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ንኢንዳስትሪታትን ጎረባብቲ ሃገራትን ሓይሊ ከቕርብ ከምዝኽእል ይዝረበሉ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57643123"} {"headline":"ኤቨር ግሪን፡ ግብጺ ንመትረብ ስዊጽ ዓጽያ ዝነበረት መርከብ ክትፍንዋ ተሰማሚዓ","content":"ኣብ ወርሒ መጋቢት ን6 መዓልታ ንመስመር መትረብ ስዊጽ ዓጽያ ዝነበረት ኤቨርግሪን ዝተብሃለት ዓባይ መርከብ፡ ዋና እታ መርከብን መድሕን ዝኣተውላ ትካልን ንመንግስቲ ግብጺ ካሕሳ ክኸፍሉ ስለዝተሰማምዑ ጽባሕ ካብቲ መልሕቓ ደርብያትሉ ዝነበት ቀላይ ነጻ ክትወጽእ'ያ። መንግስቲ ግብጺ ካብ ዋና እታ መርከብን ካብቲ ትካል መድሕንን ክንደይ ገንዘብ ክቕበል ከምዝተሰማማዐ'ኳ እንተዘይተገለጸ፡ መንግስቲ ግብጺ ኣቕድም ኣቢሉ ትሕቲ 550 ሚልዮን ዶላር ከምዘይቕበል ሓቢሩ ነይሩ'ዩ። እታ ልዕሊ 400 ሜትሪ ቁመትን 59 ሜትሮ ጎድንን ዘለዋ መርከብ ኤቨርግሪን ኣብ ወርሒ መጋቢት ካብ ቀይሕ ባሕሪ ንማእከላይ ባሕሪ እናሰገረት እንከላ ብሰንኪ ንፋስ ነቲ ጸቢብ መትረብ ስዊጽ ምሉእ ንምሉእ ስለዝዓጸወቶ እቲ ዓቢ ንግዳዊ መስመር ንመዓልታት ተረጊጡ ነይሩ። መንግስቲ ግብጺ፡ ነታ መርከብ ንምውጻእ ዘውጻእክዎ ወጻእን ብሰንኪ እቲ መስመር ምዕጻዉ ዝወረደኒ ከሳራን ክከሓስ ይግብኣኒ'ዩ ብምባል እዩ ነታ መርከብ ከም ጅሆ ሒዝዋ ጸኒሑ። እቲ 193 ኪሎሜተር ንውሓት ዘለዎ መትረብ ስዊጽ ብሰንኪ ምሽካል መርከብ ኤቨር ግሪን ንሽዱሽተ ተኸታተልቲ መዓልታ ስለዝተዓጸወ፡ ብዙሓት ካብን ናብን ኣውሮጳ ኤስያ ዝመላለሳ መራኽብ በቲ ዝነወሐ መስመር ደቡብ ኣፍሪቃ ክጠይቐማ ተገዲደን ነይረን እየን። እቲ ነታ መርከብ መድሕን [ኢንሹራንስ] ዝህብ ዩኸይ ክለብ እተብሃለ ትካል ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ \"ኣብ ሞንጎና ኣብ ሞንጎ ሰብ መዚ መትረብ ስዊጽን ነቲ ካሕሳ ዝምልከት ኣብ ሓደ ስምምዕ ተበጺሑ ኣሎ\" ኢሉ። ሰብ መዚ መትረብ ስዊጽ ብወገኖም፡ እታ መርከብ ጽባሕ ረቡዕ ከምእትፍኖ ገሊጾም ኣለዉ። ክልቲኦም ወገን መጠን ናይቲ ካሕሳ እኳ እንተዘይገለጹ፡ ኣቦ ወንበር ሰብ መዚ ስዊዝ ካናል ዖሳማ ራቢ፡ ከም ኣካል እቲ ስምምዕ ሓንቲ ንመራኽብ ትስሕብን ናብ ወደብ ተጸግዕን ጃልባ [ታግ ቦት] ክውሃቡ ምዃኖም ገሊጹ'ሎ። ሰብ መዚ መትረብ ስዊጽ ኣብ መጀመርታ 916 ሚልዮን ዲላር እዮም ካሕሳ ሓቲቶም ነይሮም። ትካል መድሕን ዩከይ ክለብ ግን 'እዚ ኣዝዩ ዝተጋነነ እዩ' ብምባል በቲ መጠን ከምዘይሰማማዕ ብወግዒ ገሊጹ። ጸኒሖም ድማ ነቲ ጠለቦም ናብ 550 ሚልዮን ዶላር እኳ እንተኣጉደልዎ፡ ዋና እቲ መርከብን እቲ ትካል መድሕንን ግን 150 ሚልዮን ዶላር ክኸፍሉ ድልዋት ምህላዎም'ዮም ብኣጋ ገሊጾም።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57731564"} {"headline":"ግድብ ህዳሰ፡ ኢትዮጵያ ንጸብጻብ መራኸቢ ብዙሓን ግብጺ ነጺጋ","content":"ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ መራኸቢ ብዙሓን ግብጺ ካልኣይ ገጽ ምምላእ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቶም ንዝዘርግሕዎ ዜና ነጺጉ። ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ብርክት ዝበሉ ማእከናት ዜና ግብጺ \"ኢትዮጵያ ዝወጠነቶ መጠን ማይ ክትዓቁር ኣይከኣለትን\" ዝብል ጸብጻባት ምዝርግሖም ይዝከር። ሓደ ካብቶም ማእከናት ዜና ዝኾነ 'ኢጅፕት ኢንዲፐንደንት'፡ ሚኒስተር ማይ ጸዓትን መስኖን ኢትዮጵያ፡ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ብዕውት መገዲ ተፈጺሙ እዩ ዝበሎ \"ሓሶት እዩ\" ዝብል ጸብጻብ ኣቕሪቡ ነይሩ። ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ግና 'ኢትዮጵያ ዝደለየቶ መጠን ማይ ኣይዓቖረትን' ዝብል ጸብጻብ ሓሶት እዩ ኢሉ። እቲ ኣምባሳደር ወሲኹ፡ ቅድሚ ሕጂ'ውን ኢትዮጵያ ንህንጸት እቲ ዲጋ ኣብ ዝጀመረትሉ፡ ሓሶት እዩ ዝብሉ ገለ ኣካላት ምንባሮም ኣረዲኡ። እቲ ዲጋ ኣብዚ እዋን ሒዝዎ ዝርከብ መጠን ማይ ክንደይ ምዃኑ ዝተሓተተ እቲ ኣምባሳደር፡ መጠን እቲ ማይ ክንደይ ምዃኑ ከም ዘይፈልጥን እቲ ጉዳይ ንሰብ ሞያ ማይ ዝምልከት ምዃኑን ተዛሪቡ። \"እቶም ነቲ ግድብ ዝሃንጹ ዘለው ሰባት ከም ዝነገሩና እንተኾይኑ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ከም ዝተዛዘመን ኣብ ቀረባ እዋን እቲ ኤለክትሪከ ዘመንጩ ተርባይነራት ስራሕ ከም ዝጅምርን እዩ\" ኢሉ። ብዘይካ'ዚ ኢትዮጵያ ንህንጸት ግድብ ህዳሰ ዛዚማ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ናብ ዝግበር ዝርርብ ንምምላስ ድልውቲ ምህላዋ ሓቢሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝተፈላለየ ጸገማት ንዝነበሩ ልዕሊ 41,000 ዜጋታቱ ናብ ሃገሮም ከም ዝመለሰ ኣምባሳደር ዲና ገሊጹ። ክሳዕ ሕጂ ነቶም ዜጋታት ንምምላስ 130 በረራታት ከም ዝተኻየደ'ውን እቲ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሓቢሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ 40,000 ዜጋታቱ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ወጢኑ እኳ እንተነበረ ተግባራት ምፍንቓልን ናብ ጸገማት ምቕላዕን ብምውሳኹ ቁጽሪ ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ሰባት ከም ዝዛየደ እቲ ኣምባሳደር ገሊጹ። \"መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዘውርዶ ምስቓይ ደው ከብሎ ዲፕሎማስያዊ ስራሕቲ ይካየድ ኣሎ\" ኢሉ። ብኻልእ ወገን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝተኸስተ ዕግርግር ንብረቶም ዝዓነወን ዝተሰረቖምን ኢትዮጵያውያን ከም ዘለውን ጉድኣት ዝበጽሖም ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም ምህላውን ተዛሪቡ። ኣብዚ ቅንያት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝተላዕለ ዕግርግር ህይወቱ ዝሓለፈ ኢትዮጵያዊ ከም ዘየሎ ዝሓበረ እቲ ኣምባሳደር፤ ነቲ ኩነታት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብቕርበት ይከታተሎ ምህላው ኣብሪሁ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57932768"} {"headline":"ኢትዮጵያ ካልኣይ ገጽ ምምላእ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ንምክያድ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ግብጺ ነጺጋቶ","content":"መንግስቲ ግብጺ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ክረምቲ ካልኣይ ገጽ ምምላእ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ንምጅማር ኣውጺኣቶ ዘላ መድብ ኮኒንዎ። ሚኒስተር መስኖ ግብጺ መሓመድ ዓብደል ኣቲ፡ ካብ ኢትዮጵያ ምምላእ እቲ ዲጋ መዓስ ከምዝጅምር ወግዓዊ ሓበሬታ ከምዝበጽሖ ብምሕባር ነቲ መደብ ካልኣይ ገጽ ምምላእ እቲ ዓቢ ግድብ ከምዝነጸጎ ኣብሪሁ። ንሱ እቲ መደብ ናይ ኢትዮጵያ በይንኣዊ ውሳነ ምዃኑ ብምጥቃስ: እቲ ናይ ኢትዮጵያ ውሳነ \"ንዓለምኻዊ ውሳንን ሕግን ዝጥሕስ እዩ፡ ንሓባራዊ ጥቕሚ ዝህብ ከም ናይል ዝኣመሰለ ወሓዚ ዘማእክል ዓለምለኻዊ ሕግን ደንብን ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ይጠሓስ ኣሎ\" ኢሉ። ሚኒስተር መስኖ ግብጺ መሓመድ ዓብደል ኣቲ፡ ነዚ ናይ ኢትዮጵያ ወሳነ ኣመልኪቱ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ደብዳበ ከምዝለኣኸ ብምሕባር፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ሓሙስ ከምዝጋባእ ሚኒስተር መሓመድ ዓብደላ ኣቲ ኣፍሊጡ። ግብጽን ሱዳንን፡ ኣብ ሓደ ሓባራውን ቀያድን ስምምዕ ከይተበጽሐ ኢትዮጵያ ካልኣይ ገጽ ምምላእ እቲ ዓቢ ግድብ ከይትጅምር እየን ከጠንቅቓ ጸኒሐን። እቲ ኢትዮጵያ 4 ቢልዮን ዶላር ሰሊዓ ካብ 2011 ጀሚራ ትሃንጽ ዘላ ዓቢ ግድብ ህዳሰ፡ ነቲ ካብ ሩባ ኣባይ ንሱዳንን ንግብጽን ጽሩይ ማይ ዝህብ ፈለግ ኒል መጠን ማዩ ከጉዱሎ'ዩ ብምባል እየን ስግኣተን ብተደጋጋሚ ክገልጻ ጸኒሐን። ኢትዮጵያ ብወገና፡ እቲ ዓቢ ግድብ ን60 ሚኢታዊት ካብ ህዝባ ንቀረብ ኤለትሪክ ኣብ ምምላእ ከምእትጥቀመሉ ብምግላጽ፡ ንምዕባለአ ወሳኒ ምዃኑን ኣብ መጠን ማይ ፈለግ ኒል ዘምጽኦ ኣሉታዊ ለውጢ ከምዘይህሉን እያ ትማጎት። ሃገራት ግብጺ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ሓደ ሓባራዊ ስምምዕ ንምብጻሕ ብተደጋጋሚ እኳ ብመገዲ ወኪላተን ክራኸባ እንተጸንሓ ኣብ ሓደ ሓባራዊ ስምምዕ ግን ክበጽሓ ኣይክኣላን። ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቀዳማይ ገጽ ምምላእ እቲ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ከምዘካየደት ዝዝከር እዩ። ኢትዮጵያ፡ እቲ ልዕሊ 5ሽሕ ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከም ዘመንጩ ዝዝረበሉ ግድብ ካብ ዝህልዎ ረብሓ ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ሩባ ኣባይ ዘሕድሮ ጽልዋ ከም ዘየለ ብምግላጽ ኣብ ስምምዕ ይበጻሕ ኣይበጻሕ ኣብዚ ወርሒ ማይ ምምላእ ከም እትጅምር ኣቐዲማ ክትገከልጽ ጸኒሓ። ሰለስቲአን ሃገራት ብተደጋጋሚ ኣብ ዙርያ ምምላእን ምፍናውን ማይ እቲ ግድብ ዘካይድኦም ልዝባት ብዘይ ፍረ ተበቲኖም'ዮም።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57731569"} {"headline":"ግብጺ ንኽልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከይትጥርዝ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሓቲቱ","content":"ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ግብጺ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሃገራ ናብ ኤርትራ ከይትጥርዝ ጸዊዑ። ክብሮም ኣድሓኖምን ኣለም ተስፋይን ኣብ ግብጺ ንዓመታት ተኣሲሮም ከምዝጸንሑ ዝግለጽ ኮይኑ፤ ኣብ ቀረባ ግብጺ ናብ ሃገሮም ክትጥርዞም ምዃና ዝገልጹ ሓበሬታታት ይወጽኡ ኣለዉ። ክልቲኦም ኤርትራውያን ሓተትቲ ዕቑባ ኮይኖም፤ ኣለም ኣብ 2012 ከምኡ’ውን ክብሮም 2014 ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ይግለጽ። እንተኾነ ዝቐረበሎም ክሲ ከምዘየለ ንጉዳዮም ዝከታተሉ ተጣበቕቲ መሰላት ይዛረቡ። “ግብጺ ነዚ ኣብ ቀረባ ክትፍጽሙ ዝሓበት ምጥራዝ ደው ክተብሎ ኣለዋ” ዝበለ መግለጺ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ክፍትሑን ብቕልጡፍ ብመስርሕ ሓተትቲ ዕቑባ ክተኣናገዱን ኣተሓሳሲቡ። “ናብቲ ስቅያት ዝጽበዮም ኤርትራ ኣገዲድካ ክምሉ ምግባር ንዓለምለኸ ሕጊ ምጥሓስ’ዩ” ክብል’ውን ወሲኹ ኣብ መግለጺኡ ኣረዲኡ። ኣምነስቲ ከምዝብሎ፤ እቶም ተገዲዶም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝግበሩ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዕቑባ ምልካዊ ማእሰርትን ብዘይክሲ ዝፍጸም ዘይውሱን ማእሰርትን’ዩ ዝጽበዮም። ንኽትቕመጠሉ ኣብ ዘይምችዉ ኩነታት ከምዝተሓዙ ዝሓበረ እቲ ተጣባቒ መሰላት ስቅያትን ካልእ ሕሱም ኣተሓሕዛን ከምዘጋጥሞም ኣመልኪቱ። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ መሰላት ክብሮምን ኣለምን ብግዱድ ጥረዛ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከይግበርን ነጻ ክወጽኡን ዝጽውዕ ጎስጓስ ኣብ ምክያድ ይርከቡ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58537050"} {"headline":"ጾታዊ ዓመጽ: በዓል ቤተይ መልኣኽ’ዩ ነይሩ - ደሓር ግን ዓሚጹኒ","content":"ደቂኣንስትዮ ግብጺ ነቲ ምስ ጾታዊ ግህሰታት ብዝተሓሓዝ ዝነበረ ስቕታ ይሰባብርኦ ኣለዋ። ሓደ ካብቶም ዝቃለስኦም ዘለዉ ጉዳያት ከኣ ነቲ ክሳብ ቀረባ እዋናት ንኽትዛረቦ’ውን ከም ነውሪ ዝቑጸር ኣብ ውሸጢ ሓዳር ብሰብኡተን ዝበጽሐን ጾታዊ ግህሰት (ምዕማጽ) ኮይኑ’ሎ። መጠንቀቕታ፡ እዚ ጽሑፍ ንፍጻመ ጾታዊ ግህሰት ዝገልጽ ትሕዝቶ ኣለዎ። ጓል 34 ሰፋ መርዓኣ ኣብ ዝተፈጸመትላ ምሸት’ያ ብበዓል ቤታ ተዓሚጻ። እቲ መጥቃዕቲ ከኣ ኣብ ሽምጣ፣ ጉንቦ ኢዳን ኣፋን በሰላ ገዲፉ’ላ። “ሽዑ ምሸት ኣብ ወርሓዊ ጽግያ ስለዝነበርኩ ንጾታዊ ርክብ ድልውቲ ኣይነበርኩን” ብምባል ትዝክር። “በዓል ገዛይ ግን ምስኡ ርክብ ንምፍጻም ዝኣብይ ዘለኹ ኮይኑ ተሰሚዕዎ። ወቒዑኒ፣ ኣሲሩኒ፣ ድምጸይ ዓፊኑ ከኣ ደፊሩኒ” ትብል ሰፋ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ነቲ ካብ ማሕበረሰብ ከጋጥማ ዝኽእል ተነጽሎ በምስጋእ ዝበጽሓ በደል ንፖሊስ ክተፍልጥን ንበዓል ገዝኣ ክትኸስስን ኣይደለየትን። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ግን ሓደ መቐይሮ ነጥቢ ዝኾነ ኣጋጣሚ ተፈጢሩ፤ ኣብ ሓደ ‘ኒውተንስ ክረድል’ ዝብል ርእሲ ዘለዎ ተኸታታሊ ናይ ቴሌቪዥን ድራማ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኣገዲዱ ክዕምጻ ዘርእይ ክፋል ተራእዩ። እዋኑ ከኣ ግዜ ጾመ ረመዳን ነይሩ። እቲ ተግባር ዝተረኣየሉ ክፋሊ ድራማ ንሕማቕ ተዘክሮታት ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ዘበራበረ ኮይኑ፤ ብጽንዓት ከኣ ናብ ማሕበራዊ መራኸቢ ቀሪበን ተሞክሮኡን ከካፍላ ዕድል ፈጢሩ። ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ብኣማኢት ዝቑጸራ ዝሃብኦ ምስክርነት ብኦንላይን ተዘርጊሑ፤ ብዙሓት ነቲ ጉዳይ ክፈልጡን ክዘራረቡሉን ዕድል ዝፈጠረ ኣጋጣሚ ኮይኑ። ጓል 27 ዓመት ሰና ሓንቲ ካብተን ግዳያት ዝኾና ደቂኣንስትዮ ነይራ። ኣብ ናይ ፌስቡክ መልእኽቲ “መልኣኽ’ዩ ነይሩ። ሓዳር ካብ እንገብር ዓመት ምስመልኣና ብጽሕቲ ወርሒ ጥንስቲ ነይረ” ትብል ሰና። ኣስዒባ ድማ “ብዘይረብሕ ነገራት ናብ ጎይቊ ንኣትው ነይርና፤ ካብኡ ክቐጽዓኒ ወሲኑ” ብምባል ነቲ ዝነበረ ኩነታት ትዝክር። “ብሓይሊ ኣገዲዱ ደፊሩኒ በዚ ምኽንያት ምንጻል ጥንሲ ኣጋጢሙኒ”። ሰና ምስ ሰብኣያ ፍትሕ ንምፍጻም ኣብ ዝገበረቶ ጻዕሪ ኣብ ጎና ኮይኑ ዝሓገዛ ሰብ ኣይነበረን፤ ሎሚ ምስ ሰብኣያ እንተተፈላለዩ’ኳ ሓዘን ናይ ውላዳ ግን ኣብ ውሽጣ ኣሎ። ኣገዲድካን ሓይሊ ዝተመልኦን ጾታዊ ዓመጽ ብፍላይ መረዓ ኣብ ዝተፈጸመትላ ምሸት ኣብ ብዙሕ ከባብታት ግብጺ ብስፍሓት’ዩ ዘጋጥም። ኣብዚ ዛዕባ ዝግበር ዘተ ናብ ዝለዓለ ጠርዚ ዝበጽሓሉ ሓደ ኣጋጣሚ ተፈጢሩ ነይሩ። በዓልቲ ቤት ሓደ ፍሉጥ ድምጻዊ ኣብ ሓዳራ ዝበጽሓ ጾታዊ ግህሰት [ምድፋር] ብዝምልከት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኢንስታግራም ቀሪባ ኣዘንቲያቶ። እናነብዐት ብቪድዮ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብስፍሓት ካብ ምዝርግሑ ብተወሳኺ ሽፋን ዜና መራኸቢ ብዙሃን’ውን ኮይኑ ነይሩ። ሰብኣያ ብኢንስታግራም ኣብ ዝሃቦ ናይ ቪድዮ ግብረ-መልሲ ነቲ ዘቕረበቶ ክሲ “መሰረት ዘይብሉ” ክብል ነጺግዎ። እታ በዓልቲ ገዝኡ ዝነበር ብወገና ነዞም ከምዚ ዝበሉ ተግባራት ብገበን ዝቐጽዕ ሕጋዊ ስርዓት ለውጢ ክግበረሉ’ያ ጸዊዓ። ንመንግስታዊ ኣካል ዝኾነ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ደቂኣንስትዮ ግብጺ ዝጠቅስ ኣብ 2015 ወጺኡ ዝነበረ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፤ ምስ ኣብ ሓዳር ዘጋጥም ጾታዊ ግህሰት፣ ጾታዊ መጥቃዕቲን ግዱድ ጾታዊ ትግባራትን ዝተሓሓዙ ዓመታዊ ልዕሊ 6,500 ክስታት ይቐርቡ። “ኣብ ሓዳር ዝፍጸም ጾታዊ ግህሰት ኣብ ግብጺ ከም ልሙድ ባህሊ ዝውሰድ ኮይኑ፤ ውዕሊ ሓዳር ከኣ ሰበይቲ ንሰብኣያ ወትሩ ንጾታዊ ርክብ ድልውቲ ኮይና ክትጸንሕ ከምዘገድድ ይእመን” ይብል በዓል ሞያ ሕጊ ከምኡ’ውን ዋና ዳይሬክተር ማእኸል ምኽርን ግንዛበ ሕግን ደቂኣንስትዮ ሬዳ ዳንቡኪ። ብመሰረት ገለ ሃይማኖታዊ ትርጓመታት፡ ሰበይቲ ምስ ሰብኣያ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም እንተኣብያ፤ “ሓጥያተኛ” ትኸውን “ምሉእ ለይቲ መላእኽቲ ክረግምዋ ይሓድሩ” ዝብል እምነት ከምዘሎ ሬድ ወሲኹ ይገልጽ። ኣማኻሪ እስላማዊ ጉዳያት ዝኾነ ዳር ኣል-ኢፍታ ዝተበሃለ ትካል ኣብዚ ጉዳይ ፍታሕ ንምምጻእ “ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ ርክብ ንምፍጻም ሓይሊ እንተተጠቒሙ ሓጥያተኛ እዩ፤ በዓልቲ ገዝኡ ከኣ ንዝፈጸሞ ተግባር ከሲሳ ክተቕጽዖ መሰል ኣለዋ” ዝብል ሃይማኖታዊ ኣዋጅ ደንጊጉ’ሎ። ማእኸል ምኽርን ግንዛበ ሕግን ንደቂኣንስትዮ [ግብጺ] ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣስታት 200 ኣብ ሓዳር ዝተፈጸሙ ግህሰታት ከምዝመዝገበ ይገልጽ። መብዛሕቲኦም ክስታት ከኣ ምስታ ኣብ መዓልቲ መርዓ ዘላ ምሸት ብዝተሓሓዝ ዘጋጠሙ ምዃኖም ዶክተር ሬዳ ዳቡንኪ የረድእ። ሕጊ ግብጺ ነቶም ኣብ ሓዳር ዘጋጥሙ ጾታዊ ግህሰታት [ምዕማጽ] ከም ገበን ኣይቆጽሮምን። ቤት ፍርዲ’ውን ነዚ ገበን መረጋገጺ ዝኸውን ነገር ኣብ ምርካብ ከምዝጽገም ይግለጽ። ዶክተር ዳቡንኪ ግን እቲ ኣብ ሓዳር ዝፍጸም ጾታዊ ግህሰት ንምርግጋጽ “ኣብ ምሉእ ኣካላት እታ ግዳይ ምርመራ ብምግባር፣ ደጋዊ በሰላታት ኣካል ብምርኣይ ከምኡ’ውን ኣብ ከባቢ ኣፍን ሽምጥን ዘጋጥም ቁስለት ክረኣዩ ኣለዎም” ይብል። ኣብታ ዓቃባውያን [‘ኮንዘርቫቲቭ’] ክብርታት ዝዓብለልዋ ግብጺ ቅልጡፍ ለውጢ ምርግጋጽ ኣጸጋሚ’ዩ። ዋላ ከምኡ እንተኾነ ግን እተን ኣብ ሓዳረን ብሰብኡተን ዝዕመጻ ግዳያት ድምጸን ክስማዕ ኣለዎ። ኣብዚ ዛንታ ሰፋን ሰናን ብዝብል ዝቐረባ ሰባት ትኽክለኛ ኣስማተን ንድሕነተን ብዝብል ተቐይሩ’ሎ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57847476"} {"headline":"ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ዝዛዘመ ግድብ ህዳሰ ንተርባይናት ከንቀሳቕስ ዝኽእል ማይ ምሓዙ ተገሊጹ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝተጀመረ ካልኣይ ምዕራፍ ምምላእ ማይ ኣብ ህንጸት ዝርከብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ከም ዝተዛዘመ ወግዓዊ ገይሩ። ኣብ ሩባ ኣባይ ዝህነጽ ዘሎ ግድብ ህዳሰ ካልኣይ ዙር ማይ ምምልኡ ዘፍለጠ ሚንስተር ማይ፣ ጸዓትን መስኖን ኢንጂነር ስለሺ በቀለ “ኣዚየ ሕጉስ’የ፤ ኣብዚ እዋን ከኣ ድልዮ መጠን ማይ ሒዙ’ሎ” ኢሉ። ብወገን ሱዳንን ግብጽን ዝለዓለ ተቓውሞ ይስማዕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ቅድሚ ክልተ ሰሙን [28 ሰነ 2013 ኣቆጻጽራ ግእዝ] ማይ ምምላእ ዝጀመረ ኮይኑ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ከም ዝተዛዘመ ተገሊጹ ነይሩ። እንተኾነ ብምኽንያት ኣብታ ሃገር ዘሎ ዝለዓለ መጠን ማይ ክረምቲ ካብቲ ዝተትሓሉ እዋን ኣቐዲሙ መሊኡ’ሎ። ነቲ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ብዝምልከት ናብ ግብጺ ደብዳበ ዝለኣኸ ሚንስተር ማይ፣ ጸዓትን መስኖን ኢንጂነር ስለሺ ኣብ ወርሒ ሓምለ 6.9 ሚልዮን ኪዩቢክ ሜትር ከምኡ’ውን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ተመሳሳሊ መጠን ማይ ንምምላእ ውጥን ከም ዘለዎም ሓቢሩ ነይሩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ ሓይሊ ከመንጭው ንዝኽእሉ ክልተ ተርባይናት ከንቀሳቕስ ዝኽእል መጠን ማይ ክሕዝ ከም ዝኸኣለ እቲ ሚንስትር ገሊጹ። እቲ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ከም ዝተዛዘመ ወግዓዊ ኣብ ዝተገበረሉ እዋን ብቐጥታዊ ፈነወ ቴሌቪዥን ኣብ ዝቐረበ ምድላው ዝመልአ ማይ ብዝባን እቲ መንደቕ ክፈስስ ተራእዩ’ሎ። ኢትዮጵያ ብ5 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ንህንጸት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ክተካይድ ጺኒሓ’ላ። ምስተዛዘመ ከኣ ኣዝዩ ብዙሕ ንዝኾነ ህዝቢ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ክህብ ትጽቢት ይግበር። ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ከም ዝኸውን ዝግለጽ ኮይኑ ኣብዚ እዋን 80 ሚኢታዊት ህንጸቱ ከም ዝተዛዘመን ንኻልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ስዒቡ ከኣ ብኸፊል ሓይሊ ምምንጫው ከም ዝጅምርን ይግለጽ። ልዕሊ 5 ሽሕ ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከም ዘመንጨው ዝዝረበሉ ግድብ ህዳሰ ምሉእ ብምሉእ ተዛዚሙ ኣገልግሎት ምሃብ ኣብ ዝጅምረሉ እዋን ንልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምኡ’ውን ንኢንዳስትሪታትን ጎረባብቲ ሃገራትን ሓይሊ ኤለክትሪክ ከቕርብ ተስፋ ኣሎ። ኣብ ታሕተዋይ ተፋሰስ ዝርከብ ሱዳንን ግብጽን ንህንጸት እቲ ግድብ ክቃወማ ዝጸንሓ ኮይነን ኣብ ቀረባ እዋን ከኣ ክልትኤን ሃገራት ብዝገበርኦ ጸቕጢ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ኣብ ጉዳይ እቲ ግድብ ከም ዝዘተየ ይዝከር። እቲ ግድብ ንድሕነተን ከም ዘስግአን ዝገልጻ ሱዳንን ግብጽን መጠን ማየን ክንክይ ከም ዝገብር ብምሕባር ክካትዓ ካብ ምጽንሐን ብተወሳኺ ቀያዲ ስምምዕ ከይተገበረ እቲ ምምላእ ማይ ከይካየድ ተኻቲዐን’የን። ክልቲኤን ሃገራት ቅድሚ ምምላእ እቲ ግድብ ኣብ ስምምዕ ክንበጽሕ ኣለና’ኳ እንተበላ ኢትዮጵያ ግን ህንጸቱ ኮነ ምምልኡ ኣብ ዝሓዘቶ ሰሌዳ ጊዜ እናተፈጸመ ልዝብ ምግባር ከም ዝከኣል ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ጸኒሓ’ያ። እቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ተወንዚፉ ዘሎ ልዝብ ሰለስቲኤን ሃገራት ኣብ ቀረባ እዋን መሊሱ ከም ዝጅመር ትጽቢት ይግበር። 145 ሜትሮ ንቁመትን 1.8 ወርድን ዘለዎ ግድብ ህዳሰ 74 ቢልዮን ኪዩቢክ ሜትሮ ማይ ይሕዝ። ሓደ ሽሕን 680 ትርብዒት ሜትሮ ስፍሓት መሬት ከኣ ከም ዝህልዎ ይዝረብ። መን እንታይ በለ? ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ወግዓዊ ካብ ዝተገበረሉ ጊዜ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ መዝነታት ዝርከቡ ሹመኛታት መንግስትን ካልኦት ኢትዮጵያውያንን ሓጎሶም ብማሕበራዊ መራኸብታት ኣብ ምግላጽ ይርከቡ። ነቲ ግድብ ዘርእዩ ምስልታት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝጠቀዐ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ “ካልኣይ ምዕራፍ ምምላእ ማይ ብምዝዛሙ እንኳዕ ኣሐጎሰና” ዝብል መልእኽቲ ኣሕሊፉ። ምኽትል ቀዳማይ ሚንስትርን ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢን ደመቀ መኮነን ብወገኑ “እቲ ካልኣይ ዙር ምምላእ ብዓወት ስለ ዝተዛዘመ እንኳዕ ሓጎሰኩም” ክብል ኣብ ትዊተር ገሊጹ። ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይሮ ኣዳነች ኣበቤ ከኣ “መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ፤ ኩልኹም ነበርቲ ከተማና ከምኡ’ውን ኣብ ምሉእ ዓለም እትርከቡ ደቂ ሃገረይ እንኳዕ ደስ በለኩም። ኢትዮጵያ ኣብ ጉዕዞ ህዳሰ እያ” ኢላ። ሚንስተር ድኤታ ሚንስትሪ ገንዘብ ዶክተር እዮብ ተካልኝ “እዚ ዓብዪ እዩ። ኢትዮጵያ ብዙሓት ብድሆታት’ኳ እንተጋጠምዋ ናብ ግስጋስኣ ቀጺላ ኣላ” ክብል ገሊጹ። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ከኣ “ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኩርዓትና እዩ” ዝበለ ኮይኑ ብዙሓት ዜጋታትን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያን እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ታሕጓሶም ይገልጹ ኣለዉ። ኢትዮ-ቴሌኮም ድማ ካብ ሞንጎ ነቲ ስምዒት ብማሕበራዊ መራኸቢ ዝገለጹ ትካላት ኢትዮጵያ ኮይኑ’ሎ። ብፍላይ ትማሊ እቲ ምምላእ ወግዓዊ ክግበር ከሎ ነቲ ግድብ ዘርእዩ ብዙሓት ስእልታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ክዘዋወሩ ውዒሎም ኣለዉ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57898262"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ኢትዮጵያ ካብ ቱርኪ 'ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ' ክትዕድግ ሓቲታ","content":"ኢትዮጵያ፡ ስረሓት ቱርኪ ዝኾና 'ባይራክተር ቲቢ2' ዝተባህላ ንኲናት ዝውዕላ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ [ድሮን] ካብ ቱርኪ ንክትዕድግ ከም ዝሓተተት ተገሊጹ። ብዘይካ'ዚ፡ ቱርኪ ንሰሜን ኣፍሪቃዊት ሃገር ሞሮኮ ድሮን ከም ዝሸጠት ሮይተርስ ንምንጭታቱ ረቚሑ ጸብጺቡ። ነዚ ጉዳይ ቕርበት ዘለዎ ሓደ ዲፕሎማት፡ ሞሮኮ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2021 ዝኣዘዘቶ ፈላማይ ዙርያ ዕድጊ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዝተቐበለት ብምግላጽ፡ እቲ ዝኣዘዘቶ ድሮን ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ'ኳ እንተዘይሃለወ ስርሓት ቱርኪ ዝኾና ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ንክትውንን መደብ ከም ዘለዋ ሓቢሩ። ስምምዕ መሸጣ እዘን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ቐረብ መለዋወጢ ኣቑሑን ስልጠና ሓይሊ ሰብን ዝሓውስ ምዃኑ ጸብጻብ ሮይተርስ የመልክት። እንተኾነ፡ ብዝሒ እተን ነፈርትን ዋጋን ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ የለን። መሸጣን ውዕልን ዝምልከት'ውን ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ሞሮኮን ቱርክን ዝሃብኦ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን። ሰለስቲኦም መንግስታት ኣብዚ ጉዳይ ርኢይቶ ክህቡ'ውን ተሓቲቶም መልሲ ኣይሃቡን። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣሃዛት መሸጣ ወጻኢ ቱርኪ ከም ዘመላኽቱዎ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ናብ ኢትዮጵያን ሞሮኮን እትልእኾ መጠን ኣቪየሽንን ናውታት ምክልኻልን ወሰኽ ኣርእዩ ኣሎ። እዚ ብዛዕባ መሸጣ ድሮን ድዩ ኣይኮነን ዝብል ግን ኣይተነጸረን። ካብ ማሕበር ልኣኽቲ ኣቕሓ ቱርኪ ዝተረኽበ መረዳእታ ከም ዘመላኽቶ፡ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት ኣታዊ ዝገበረቶ ኣጽዋር ምክልኻልን ኣቪየሽንን ምስ ዝሓለፈ ዓመት እንትነጻጸር ካብ 203 ሽሕ ዶላር ናብ 51 ሚልዮን ዶላር ክብ ኢሉ'ዩ። ኢትዮጵያ ካብ ቱርኪ ንኲናት ዝውዕላ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ክትዕድግ'ያ ዝብል መደብ ንግብጺ ከም ዘቖጥዓ ሮይተርስ ገሊጹ ኣሎ። እቲ ማዕኸን ሚዲያን ክልተ ምንጪታት ድሕነት ግብጺ ዝሃቡዎ ሓበሬታ ጠቒሱ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ፡ ግብጺ፡ ክልቲአን ሃገራት [ኢትዮጵያን ቱርክን] ክበጽሕኦ ዝኽእላ ስምምዕ ንከይፍጸም ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ብሞንጎኝነት ንክኣትው ሓቲታ ኣላ። ካልእ ግብጻዊ ምንጪ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቱርኪ ምስ ኢትዮጵያ ዝኾነ ዓይነት ስምምዕ ቅድሚ ምፍራማ ግብጺ ምስ ቱርኪ ክትዛተ ኣለዋ ዝብል መርገጺ ከም ዝሓዘት ተዛሪቡ። ግብጺ ብምኽንያት ህንጸት ግድብ ሕዳሰ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ወጥሪ እትርከብ ሃገር'ያ፤ ኣብ ሊቢያን ጉዳያት ባሕሪ ምብራቕ ሜድትራንያንን ድማ ምስ ቱርኪ ዘለዋ ርክብ ሓርፊፉ ይርከብ። ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ፡ ድሕሪ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ህዝባዊ ተቓውሞ ስልጣን ምስ ሐዘ ዝምድና ግብጽን ቱርክን ሓርፊፉ'ዩ። ክልቲአን ሃገራት ብምኽንያት ሊብያ ዝተፈላለየ መርገጺ ዝሓዛ ኮይነን፡ ቱርኪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዝሃቦ መንግስቲ ትድግፍ። ግብጺ ብወገና ነቲ መንግስቲ ንምዕላው ብረት ዝዓጠቑ ሓይልታት ዝመርሕ ዘሎ ጀነራል ኻሊፋ ሓፍጣር'ያ እትድግፍ። ባይቶ ቱርኪ ነቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዝሃቦ መንግስቲ ንምሕጋዝ ናብ ሊብያ ሰራዊት ብምልኣኻ፡ ወጥሪ ክልቲአን ሃገራት ክዓርግ ገይሩ'ዩ። ባይራክታርቲቢ2 እዚ ብቱርኪ ዝስራሕ ድሮን ኣባላት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ዝኾና ሃገራትን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዘለዋ ሃገራትን ዓዲገን ተዓጢቐንኦ ይርከባ። ገሊአን ድማ ገና ክገዝኣ ኣብ ስምምዕ ኣለዋ። ነቲ ድሮን ዘፍሪ ‘ባይካር ዲፈንስ’ ኣብዚ እዋን ኣስታት160 ባይራክታር ቲቢ2 ኣብ ቱርኪ፣ ቀጠር፣ ዩክረይንን ኣዘርባጃንን ኣገልግሎት ይህባ ምህላወን ይገልጽ። ኣባል ኔቶ ዝኾነት ፖላንድ’ውን 24 ድሮናት ንምዕዳግ ተሰማሚዓ’ላ። ቅድም ኢሉ፡ ሚንስተር ምክልኻል ፖላንድ ባይራክታት ቲቢ2 “ብቕዓተን ኣብ ኲናት ኣመስኪረን ኣለዋ” ክብል ኣብ መደብር ሬድዮ ሃገሩ ምዝራቡ ጸብጻብ ሮይተርስ የመልክት። ብተመሳሳሊ ሞሮኮ 13 ባይራክታር ካብ ቱርኪ ንምዕዳግ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ስምምዕ ከም ዝፈጸመት መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ጸብጺበን ነይረን። ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶሃን ስዑዲ ዓረብ ድሮናት ሃገሩ ንምግዛእ ድልየት ከም ዘለዋ ገሊጹ’ዩ። ብተመሳሳሊ ላቲቪያ’ውን ነተን ድሮናት ናይ ምዕዳግ ድልየት ከም ዘለዋ ሚንስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ቱርኪ ኣብ ወርሒ ሰነ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ወግዓዊ ከም ዝገበረ ይፍለጥ። እዚ ድሮን፡ ኣብ ማእኸላይ ብራኸ ነዊሕ ርሕቐት (Medium Altitude Long Endurance) ዝምደብ ኮይኑ፡ ክሳብ 150 ኪሎ ግራም ክብደት ተሰኪሙ ክበርር ይኽእል። ክሳብ 300 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ኮይንካ ምቁጽጻር ከም ዝከኣል ይግለጽ። ነዞም ድሮናት ዘፍርይ ትካል ኣብ ዌብሳይቱ ዘስፈሮ ሓበሬታ ስፍሓት ክንፊ\/መንፈሪ እቲ ድሮን 12 ሜትሮ፣ ቁመቱ 2.2 ሜትሮ፣ ንውሓቱ 6.5 ሜትሮ ከም ዝኾነ የመልክት። እዚ ዓይነት ድሮን ቁጽጽር ከይተገበረሉ ባዓሉ ክለዓልን ክዓልብን ካብ ምኽኣሉ ብተወሳኺ ካብ 18 ክሳብ 27 ሽሕ ጫማ ብራኸ ኣገልግሎት ክህብ ይኽእል። 4 ሮኬት ወይ ቦምባ ወይ ሚሳኤል ክሽከም ድማ ይኽእል። ኣብ ቀረባ ኣብ ሞንጎ ኣዘርባጃንን ኣርመኒያን ዝተላዕለ ጎንጺ፡ ኣዘርባጃን ተዓዊታ ንክትወጽእ እዚ ድሮን ብሰፊሑ ከም ዝተጠቐመት ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ። ብተወሳኺ፡ ቱርኪ እዘን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ኲናት ሶርያን ሊብያን ክውዕላ ገይራ'ያ። ኣብቲ ቅድሚ 11 ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት፡ ሰራዊት ፌደራል ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዝተጠቐሙ ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጽኡ ጸኒሖም'ዮም። ቢቢሲ፡ ዋላ'ውን እንታይ ዓይነት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ'የን ኣብቲ ኲናት ውዒለን ዝብል ከረጋግጽ እንተዘይኽኣለ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ መንግስቲ ድሮን ከም ዝተጠቕመ ኣመልኪቱ ነይሩ። ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሜጀር ጀነራል ይልማ መርዳሳ'ውን ኣብ ወርሒ ሕዳር 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ንሃገራዊ ቴሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ ኢትዮጵያ ኣብቲ ኲናት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዝተጠቐመት ኣረጋጊጹ'ዩ። ድሮን ብኸመይ ንዂናት ይውዕል? ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ዝተፈላለዩ ረብሓታት ካብ ምሃበን ብተወሳኺ ንኽልተ መሰረታዊ ዝበሃሉ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት እውን ይውዕላ። ንስለያ [ካብ ጸላኢ ሓበሬታ ንምእካብ] ከምኡ’ውን መጥቃዕቲ ንምፍጻም [ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ሚሳኤል ንምትኳስ] የገልግላ። ግዝፊ ድሮናት ምስተን ስሩዓት ወተሃደራዊ ኮና ስቪላዊ ነፈርቲ ክነጻጸራ ከለዋ ኣዝየን ዝነኣሳ እየን። ቁጽጽር ዝግበረለን ከኣ ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ዝኾነ ቦታ ብዘሎ በዓልሞያ’ዩ። እቲ በዓል ሞያ ተንቀሳቓሲ ኣብ ዝኾነ መቆጻጸሪ [mobile ground control station] ኮይኑ ብርክብ ሳተላይት ኣቢሉ ነታ ድሮን ይቆጻጸራ። ኣብ ዓውዲ ኲናት ንጸላኢ ከቢድ ዕንወትን ኪሳራን ብምስዓብ ውጽኢታውያን ካብ ሞንጎ ዝበሃሉ ዓይነታት ድሮን ዘፍርያ ሃገራት ቻይና፣ ቱርኪ፣ ኣሜሪካን እስራኤልን ይጥቀሳ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58825442"} {"headline":"ኣብ ልዝብ ግድብ ሕዳሰ ተራ ዝነበሮ ሚኒስትሪ ማይ፣ መስኖን ኢነርጅን ስለሺ በቀለ","content":"ትማሊ ኣብ ዝተመስረተ ሓድሽ ካቢኔ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዘይተኻተተ ሚኒስትሪ ማይ፣ መስኖን ኢነርጅን ዝነበረ ስለሺ በቀለ [ዶክተር\/ኢንጅነር] \"ኣብ ቐጻሊ ሃገረይ ኣብ እትጠልቦ ኣገልግሎት ክዋፈር'የ\" ክብል ብማሕበራዊ ሚዲያ መልእኽቲ ኣሕሊፉ። ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዙርያ ህንጸትን ምምላእ ማይን ህጸት ግድብ ሕዳሰ ኣባይ ኣብ ዘካየዶም ዝርርባት ዓብዪ ተራ ዝነበሮ ዶክተር ስለሺ ኣብቲ ሓድሽ ካቢኔ ዘይተኻተተ ምዃኑ ብዙሓት ከዘራርብ ቀንዩ። እንተኾነ ሎሚ ረፋድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ተወሳኺ ሓላፍነት ዝሃበ ኮይኑ ዶክተር ስለሺ በቀለ ብመዓርግ ሚኒስትር ዋና ተደራዳርን ኣማኻርን ዶብ-ሰገር ሩባታትን ግድብ ሕዳሰን ገይሩ ከም ዝሾመ ኣፍሊጡ ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዘቕረቦም ኣባላት ካቢኔ ትማሊ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ሽመት ከም ዝጸደቐሎም ይዝከር። እቲ ብስለሺ ዝምራሕ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ኣብቲ ሓድሽ ካቢኔ ሚኒስትሪ መስኖን ልምዓት ከባቢታት ቆላን ብዝብል ዳግም ተወዲቡ ኢንጅነር ኣይሻ መሓመድ ክትመርሖ ተሸይማ ኣላ። እቲ ሚኒስትሪ ማይን ኢነርጅን ብዝብል ዝጽዋዕ ሚኒስትሪ ንክመርሕ ድማ ኢንጅነር ሃብታሙ ኢተፋ ተሸይሙ። ዶክተር ስለሺ ነቶም ሓደሽቲ ሚኒስትራት እንኳዕ ደስ በለኩም ብምባል ሰናይ ተምኒቱ ክገልጽ እንከሎ፡ ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ሰናይ ግዜ ተመንዩ። ቅድም ኢሉ ሽልማት 'በጎ ሰው' ዝብል ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሽልማታት ዝተዋህቦ ዶክተር ስለሺ \"ግድበይ'ዩ\" ወይ'ውን \"It's My Dam\" ብዝብል ዘረብኡ ይፍለጥ። ንሱ፡ ህንጸት እቲ ግድብ ምስ ተወድአ መን'ዩ ከመሓድሮ? ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ ሕቶ ካብ ሓደ ጋዜጠኛ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን እዩ \"Its My Dam\" ዝብል ምላሽ ሂቡ። እዚ ድማ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ዘይምርድዳእ ኣብ ዝተላዕለሉ እዋን ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያን ካልኦት መድረኻትን ብሰፊሑ ዝተጠቐምሉ ኣበሃህላ ኮይኑ እዩ። ግብጽን ሱዳንን ኣብ ዙርያ ህንጸትን ምምላእ ማይን እቲ ግድብ ዘለወን ቅርታ ናብ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪበን ኣብ ዝተኻየዱ ክልተ መድረኻት ዘተ ተረኺቡ ምላሽ ዝሃበ ዶክተር ስለሺ ብዙሓት ክንእድዎ ተራእዩ'ዩ። \"ፈቲና ጸሊእና ካብ ሓደ ሩባ ማይ ስለ እንሰቲ ክንተሓባበር ይግባእ\" ክብል ኣብቲ ባይቶ ተዛሪቡ ነይሩ። ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ሚኒስትሪ ማይ፣ መስኖን ኢነርጅን ኮይኑ ዝመርሐ ዶክተር ስለሺ፡ \"ንዝሓለፉ ዓመታት ዝመርሖ ዝነበርኹ ሚኒስትሪ በቲ ሎሚ ዝጸደቐ ኣወዳድባ ፈጸምቲ ስራሕ ሓደሽቲ ምሻሞም ሕጉስ'የ\" ክብል ትማሊ ብፌስቡክ ጽሒፉ። እቶም ክልተ ኣብያተ ጽሕፈት ሚኒስትሪ ንዕብየት ሃገር ኣገደስቲ'ዮም ብምባል \"ንዝሓለፉ ዓመታት ብቕንዕና፣ ተኣማንነትን ብዝኽእሎን ኣገልጊለ'የ\" ኢሉ። ኣብ ቀጻሊ እታ ሃገር ኣብ እትደልዮም ግንባራት ተዋፊሩ ክሰርሕ ፍቓደኛ ከም ዝኾነ ብምግላጽ \"ብዙሓት ፈተንቲ ግዜያት ሓሊፍና ኢና፤ ግድብና ድማ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ሓይሊ ከመንጪ'ዩ። ኣብዝን ካልኦት መዳያትን ዝነበረኒ ኣበርክቶ ኣብቶም ፈተንቲ እዋናት ንሃገረይ ዘኹርዐ'ዩ ኢለ ይኣምን\" ክብል ገሊጹ። ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ እዚ ዓመት ካብቶም 13 ተርባይናት ግድብ ሕዳሰ እቶም ክልተ ክሳብ 750 ሜጋ ዋት ሓይሊ ምምንጫው ከም ዝጅምሩ ንቢቢሲ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር። 1. ደመቀ መኮንን - ምኽትል ቀዳማይ ሚንስተርን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻእን 2. ኣብርሃም በላይ (ዶ\/ር) - ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር 3. ኣሕመድ ሽዴ - ሚኒስትር ገንዘብ 4. ሙፈሪያት ካሚል - ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን 5. ዑመር ሁሴን ኦባ - ሚንስትር ሕርሻ 6. ኣይሻ መሓመድ (ኢንጂነር) - ሚኒስትር መስኖን ከባቢታት ቆላን 7. ሃብታሙ ኢተፋ ገለታ (ኢንጂነር) - ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን 8. ብርሃኑ ነጋ ቦንገር - ሚኒስቴር ትምህርቲ 9. ዳግማዊት ሞገስ በቀለ - ሚኒስትር መጓዓዝያን ሎጀስቲክስን 10. ገ\/መስቀል ጫላ ሞጣሎ - ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትሕብባርን 11.መላኩ አለበል - ሚኒስትር ኢንዳስትሪ 12. ብናልፍ አንዱዓለም - ሚኒስትር ሰላም 13. ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ\/ር) - ሚኒስትር ፍትሒ 14. ዶ\/ር ሊያ ታደሰ ገ\/መድህን - ሚኒስትር ጥዕና 15. በለጠ ሞላ ጌታሁን - ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን 16. ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ - ሚኒስትር ቱሪዝም 17. ላቀ አያሌው አንተነህ - ሚኒስትር እቶት 18. ጫልቱ ሳኒ ኢብራሂም - ሚኒስትር ልምዓት ከተማ 19. ታከለ ኡማ በንቲ - ሚኒስትር መዓድን 20. ፍጹም ኣሰፋ ኣዴላ (ዶ\/ር) - ሚኒስትር ልምዓት ፕላን 21. ኤርጎጌ ተስፋዬ - ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን 22. መርዳሳ ቱሉ - ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/58825439"} {"headline":"ስፖርት፡ ግብጻዊ መሓመድ ሳላሕ ምስ ሃገራዊት ጋንትኡ ከይጻወት ብሊቨርፑል ተኸልኪሉ","content":"ፌዴሬሽን ኵዕሶ እግሪ ግብጺ፡ ኣጥቃዓይ ክለብ ሊቨልፑል መሓመድ ሳላሕ፡ ሃገሩ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ እትገብሮ ግጥም ምጽራይ ዋንጫ ዓለም ከይሳተፍ ብክለብ ሊቨርፑል ከምዝተኸልከለ ገሊጹ። ጋንታ ሊቨርፑል ኣቅሪባቶ ዘላ ምኽንያት፡ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ ኣተኣታትያቶ ብዘላ ሕጊ፡ መሓመድ ሳላሕ ካብ ግብጺ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ተመሰለ ን10 መዓልታት ክውሸብ ስለዝግደድ፡ ቁመንኡ ክፈርስ'ዩ ዝብል እዩ። ማዕከናት ዜና ብሪጣንያ ከምዝጸብጸበኦ፡ ሊቨርፑል ብጀካ ንመሓመድ ሳላሕ ንሰለስተ ብራዚላውያን'ውን ምስ ሃገራውያን ጋንተኦም ከይጻወቱ ከልኪላዎም ኣላ። ኣቶም ምስ ሊቨርፑል ዝጻወቱ ዘለዉ ምስ ሃገራዊት ጋንትኦም ከይጻወቱ ተኸልኪሎም ዘለዉ ብራዚላውያን ሮበርቶ ፍርሚኖ፡ ኣሊሶንን ፋብያኖን እዮም። ካልኦት ክለባት ናይ ዓዲ እንግሊዝ'ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ብምውሳድ ንተጻወትተን ናብተን ብመንግስቲ ዓዲ እንገሊዝ ምስ ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይሕ መዝገብ ሰፊረን ዘለዋ ሃገራት ክሰደኦም ከምዘይክእላ እዩ ዝግመት። ፊፋ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ኮሮናቫይረስ ኣተሓሒሑ ክለባት ንተጻወትተተን ናብተን ብኮቪድ ዝተሃሰያ ሃገራት ካብ ምኻድ ክኽልክለኦም ዘተኣተታዎ ሕጊ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ከምዝኣለዮ ዝዝከር ኮይኑ፡ ነዚ ሊቨርፑል ወሲዳቶ ዘላ ስጉምቲ ክሳብ ሕጂ መልሲ ኣይሃበሉን ዘሎ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58315112"} {"headline":"ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ናብ ግብጺ ምብጻሕ ኣካይዱ","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ናፍታለ ቤኔት ናብ ግብጺ ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካየደ ኾይኑ፤ እዘን መዳውብቲ ሃገራት ድሕሪ ዓሰርተ ዓመታት'የን ዝበጻጽሓ ዘለዋ። ቀዳማይ ሚኒስተር ናፍታለ ቤኔት፡ ነቲ ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ሻርም ኢል ሼክ ዝተብሃለ መዘናግዒ ቦታ ኮይኖም ምስ ፕረዚደንት ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲ ዝተመያየጥዎ \"ጽቡቕን ኣዝዩ ኣግዳስን\" ብምባል ገሊጽዎ። ግብጺ ብወገና፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዞባዊ ጉዳያትን፡ ንሰለማዊ መስርሕ እስራኤልን ፍሊስጤምን ህይወት ኣብ ምስኳዕ ዝሕግዝን ምምይያጦም ገሊጻ። ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ብቀዳማይ ሚኒሰትርነት ንእሰራኤል ዝመርሓ ቤንጃሚን ናትንያሁ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ስዒሩ ስልጣን ዝተረከበ ቀዳማይ ሚኒስተር ናፍታለ ቤኔት ብግብጺ ብዝቐረበሉ ዕድመ'ዩ ናብ ግብጺ ምብጻሕ ኣካይዱ። ቤንጃሚን ናትናያሁ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ ኣብ 2011 ናብ ግብጺ ወግዓዊ ምብጻሕ ምከያዱ ዝዝከር ኮይኑ፡ ምስ ቤንጃሚን ናታንያሁ ዝተራኸበ ፕረዚደንት ግብጺ ነበር ሑሱን ሙባርክ ድሕረ ሓደ ወርሒ ርክቦም ካብ ስልጣኑ ከምዝተዓለወ'ውን ይዝከር። ቤንጃሚን ናትናያሁ ኣብ 2018'ውን ብስቱር ናብ ግብጺ ብምኻድ ምስ ኣል ሲሲ ምዝርራቡ ይጥቀስ እዩ እዚ ግን ብወግዒ ኣይተሓበረን። ብዘይካ እዚ ኣል ሲሲን ቤንጃሚን ናታንያሁን ኣብ ኣኼባ ናይ ሕቡራት ሃገራት ብተደጋጋሚ ብሒቶም ተዘራሪቦም ምንባሮም ይግለጽ። ግንጽን እስራኤልን ደማዊ ኵናት ድሕሪ ምክያደን፡ ግብጺ ካብ ሃገራት ኣዕራብ ኣብ 1979 ንምጀመርታ ግዜ ምስ እስራኤል ውዕል ሰላም ዝፈረምት ሃገር እያ። ዝርዘራዊ ምብጻሕ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤኔት ብጸጥታዊ ምኽንያታት ዋላ እኳ እንተዘይተሓበረ፡ ኣብቲ ብሰኑይ ዝገበሮ ምብጻሕ ርክቦም ቅድሚ ምጅማሩ'ዩ ብወግዒ ተሓቢሩ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58554806"} {"headline":"ግድብ ህዳሰ፡ ኢትዮጵያ ንምትእትታው ማሕበር ሃገራት ዓረብ ብምቅዋም ናብ ባይቶ ጸጥታ ጥርዓን ኣቕሪባ","content":"ኢትዮጵያ፡ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ኣብ ጉዳይ ምስሕሓብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ምትእትታው ይገብር ኣሎ ክትብል ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ጠሪዓ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ማሕበር ብዛዕባ ህንጸት ናይቲ ግድብ ኣመልኪቱ ንባይቶ ጸጥታ ደብዳበ ምጽሓፉ ከም እትቃወም ገሊጹ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ደመቀ መኮንን ትማሊ ሰኑይ ናብቲ ባይቶ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ እቲ ማሕበር ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ደብዳበ ክጽሕፍ መሰል ከም ዘይብሉ ብምጥቃስ፡ እቲ ስጉምቲ ንሃገሩ ከም ዘቖጥዓ ኣፍሊጡ። \"ኣባላት ሃገራት ማሕበር ሃገራት ዓረብ፡ ብዛዕባ ኣባይ ዝምልከት ግብጺ እትብሎ ነገር ከየመዛዘኑ ክቕበሉ እዚ ናይ መጀመርትኦም ኣይኮነን\" ይብል መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ። ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ስሉሳዊ ልዝብ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ሃገራት ዓረብ ነቲ ስጉምቲ ምውሳደን ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ኢትዮጵያ ኣነጺራ። እቲ ስጉምቲ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሕረብት ኣፍሪቃን ማሕበር ሃገራት ዓረብን ዘሎ ምሕዝነትን ምትሕብባርን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ'ዩ ክብል'ውን እቲ መግለጺ ኣጠንቂቑ'ሎ። \"ሕብረት ኣፍሪቃ ናይ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን እዩ። ኩሎም ወገናት ተጠቀምቲ ብዝገብር መንገዲ ስሉሳዊ ናይ ልዝብ መድረኽ ዘርጊሑ'ሎ። እዚ ድማ ንኣፍሪቃዊ ጸገም ኣፍሪቃዊ መፍትሒ ዝብል መትከል ዝተኸተለ እዩ\" ይብል ደብዳበ ኢትዮጵያ። ኢትዮጵያ ንሸምጋሊ ተራ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘለዋ ደገፍ ብምግላጽ፡ ሱዳንን ግብጽን'ውን ተመሳሳሊ መርገጺ ክወስዳ ጸዊዓ። ሰለስቲአን ሃገራት ብዛዕባ ምምላእ ማይ ናይቲ ግድብ ዘለወን ምስሕሓብ ክሳብ ሕጂ መፍትሒ ኣይረኸባሉን ዘለዋ። ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝጀመረቶ በይናኣዊ ምምላእ ማይ ኣብዚ ናይ ሕጂ ክረምቲ ከም ዝቕጽል ክትገልጽ እንከላ፡ ሱዳንን ግብጽን ግን ቅድም ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ይጠልባ። መንግስቲ ግብጺ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ክረምቲ ካልኣይ ገጽ ምምላእ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ንምጅማር ኣውጺኣቶ ዘላ መድብ ኮኒንዎ'ሎ። ሚኒስተር መስኖ ግብጺ መሓመድ ዓብደል ዓጢ፡ ምምላእ እቲ ዲጋ መዓስ ከምዝጅምር ካብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖ ብምሕባር፡ እቲ ውሳነ ንምርግጋእ ናይቲ ዞባ ኣብ ሓደጋ ዘብጽሕ'ዩ ብምባል ከም ዝነጸጎ ተዛሪቡ። ንሱ፡ እቲ መደብ ናይ ኢትዮጵያ በይንኣዊ ውሳነ ምዃኑ ብምጥቃስ: እቲ ናይ ኢትዮጵያ ውሳነ \"ንዓለምኻዊ ውሳነን ሕግን ዝጥሕስ እዩ፡ ንሓባራዊ ጥቕሚ ዝህብ ከም ናይል ዝኣመሰለ ወሓዚ ዘማእክል ዓለምለኻዊ ሕግን ቅጥዕን ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ይጠሓስ ኣሎ\" ክብል ከሲሱ። ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ንሰለስቲአን ሃገራት ብምጽዋዕ ዘለወን ስግኣት ክገልጻ ድሕሪ ምግባሩ፡ ናብ መኣዲ ዘተ ክምለሳ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ተማሕጺኑ ነይሩ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57741872"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ግብጺ ዘይተኸተቡ መምሃራን ካብ ስራሕ ደው ክብሉ ኣዚዛ","content":"ሚኒስትሪ ትምህርቲ ግብጺ፡ ክታበት ጸረ ኮሮናቫይረስ ዘይወሰዱ ወይ'ውን ካብቲ ቫይረስ ነጻ ምዃኖም መረጋገጺ ዘየምጽኡ መምሃራን ካብ ስራሕ ደው ክብሉ ኣዚዙ። ሓንቲ ካብተን ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ብኸቢድ ካብ ዝተሃሰያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኾነት ግብጺ፡ እቲ ሕማም ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ከይላባዕ ካብ ዘለዋ ስግኣት ብምብጋስ ነዚ ውሳነ ከምዘሕለፈት እዩ እቲ ሚኒስትሪ ገሊጹ። ብመሰረት ብሚኒስትሪ ትምህርቲ ግብጺ ወጺኡ ዘሎ ንመምህራን ዝምልከት ሓዲሽ ሕጊ፡ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ኣብያተ ትምህርቲ ዝርከቡ መምሃራን ክኽተቡ ወይ’ውን ሰሙናዊ ብዙሕ ወጸኢታት እናኣውጽኡ መርመራ ከካይዱ ክግደዱ እዮም። እዚ ሓዲሽ ሕጊ ኣብ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ተግባራዊ ዝኸውን ኮይኑ፡ ንመምህራንን ኣብያተ ትምህርቲ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታትን’ውን ክኽተቡ ወይ’ውን ሰሙናዊ ክምርመሩ ዘገድድ እዩ። ሚኒስተር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ግብጺ፡ ታሪቅ ሻውቂ ከምዝሓበሮ፡ እቶም ዘይተኸተቡ ወይ ክኽተቡ ዘይደለዩ መምሃራንን ሰራሕተኛታትን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ሰሙናዊ 100 ዶላር ከፊሎም መርመራ ኮሮናቫይረስ ብምግባር ውጽኢት መርመረኦም ከርእዮ ከምዝግደዱ ገሊጹ ኣሎ። ብመስረት ካብ ምኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ዝተረኸበ ኣሃዝ፡ ካብ ኣብ መላእ ግብጺ ዝርከቡ መምሃራን እቶም 40 ሚኢታዊት ተኸቲቦም ምህላዎም እዮ ዝጠቅስ። ኣብ ግብጺ ብመሰረት ዓመታዊ ንድፊ ስርዓተ ትምህርቲ፡ ኣብ ዝምጽእ ክልተ ሳምንታት ሓዲሽ ዓመተ ትምህርቲ ክጅመር እዩ። ግብጺ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብተን ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ብዙሓት ሰባት ዝሞትዋ ሃገር ኮይና፡ እታ ሃገር ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 17 ሸሕ ሰባት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ሞይቶማ ኣለዉ። ብብዝሒ ህዝቢ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ንናይጀርያን ኢትዮጵያን ተኸቲላ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ እትርከብ ግብጺ፡ ካብ ጥቅላላ ብዝሒ ህዝባ ንልዕሊ 5 ሚልዮን ክትከትብ ክኢላ ኣላ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58689500"} {"headline":"ሕጽረት ማይ ዘስዕቦም ዘሎ ደበና ኲናትን ዞባዊ ቅልውላዋትን","content":"ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መጠን ኣብ ዓበይቲ ሩባታት ዝህነጹ ዘለዉ ሓደሽቲ ግድባት ከምኡ’ውን ኣጠቓቕማ ማይ ነተን ኣብ ታሕተዋይ ተፋሰስ ዝርከባ ሃገራት ናብ ጽምኢ ብምእታው ተኽእሎታት ግጭት ከም ዝብርኽ ይገብር ኣሎ። ርብዒ ካብ ህዝቢ ዓለም ኣዝዩ ጽንኩር ብዝኾነ ሕጽረት ማይ ዝተሃሰየ እዩ። እዚ ኸኣ ብዙሓት ህይወቶም ንምውሓስ ናብ ካልኦት ሃገራት ክስደቱ ምኽንያት ኮይኑ’ሎ። “ማይ እንተዘይሃልዩ ሰባት ናብ ካልእ ቦታ ክጓዓዙ ክጅምሩ’ዮም” ትብል ኣብ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ፊንላንድ ሓላፊት ዓለምለኻዊ ምትሕብባርን ምህርቲ ፖለቲካ ማይን ኪቲ ቫን ደር ሄይደን። ሕጽረት ማይ ብግምት ን40 ሚኢታዊት ካብ ህዝቢ ዓለም ከም ዝጸለወ ዝግለጽ ኮይኑ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ባንኪ ዓለምን ድማ ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ እዋን ኣስታት 700 ሚልዮን ሰባት ንሓደጋ ምፍንቓል ክሳጥሑ ከም ዝኽእሉ ግምቶም የቐምጡ። “ማይ እንተዘይሃልዩ ፖለቲከኛታት ነቲ ጉዳይ ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ብኡኡ ምኽንያት ናብ ጎንጺ ክኣትዉ ይኽእሉ እዮም” ትብል ኪቲ። ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘበን መጠን ብደረጃ ዓለም ዝነበረ ተጠቃምነት ማይ ብኽልተ ዕጽፊ ከም ዝወሰኸ ይግለጽ። በዚ ምኽንያት ድማ ዓበይቲ ከተማታት ሃገራት ማይ ብዕደላ [‘ራሺን’] ናብ ነበርተን ከመቓርሓ ተገዲደን ኣለዋ። ዓለምለኸ ፎረም ቁጠባ ብመንጽር ዘኸትልዎ ጽልዋ ዘርዚሩ ኣብ ዘቐመጦም ዓለማዊ ስግኣታት፡ ማይ ሓደ ካብቶም ኣብ ቅድሚት ዝተሰርዑ ኮይኑ’ሎ። ኣብ 2017 ዘጋጠሙ ከበድቲ ሓደጋታት ደርቂ ብድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንዝተፈጠሩ ሕሱማት ሰብኣዊ ቅልውላዋት ብጽሒት ኣለዎም። ብሰንኪ እቶም ዘጋጠሙ ሕጽረታት መግቢን ዝተወልዑ ጎንጽታትን ድማ 20 ሚልዮን ሰባት ካብ ኣፍሪቃን ማእኸላይ ምብራቕን ዝነብሩሉ ከባቢ ገዲፎም ተፈናቒሎም። ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ሞንጎ ሕጽረት ማይ፣ ጎንጽን ፍልሰትን ዘሎ ርክብ መጽናዕቲ ዘካየደ ፒተር ግለይክ ብሰንኪ ማይ ዝፍጠሩ ጎንጽታት ይውስኹ ምህላዎም ይኣምን። “ኣዝዩ ሓሓሊፉ እንተዘይኮይኑ ብቐጥታ ብጽምኢ ማይ ዝሞተ ሰብ የለን። ግን ከኣ ብሰንኪ ዝተበከለ ማይን ማይ ንምርካብ ብዝፍጠሩ ጎንጽታትን ብዙሓት ሰባት ይሞቱ” ክብል የረድእ። ንሱን ኣባላት ጉጅለ መጽናዕቱን ነቶም ብሰንኪ ማይ ዝውልዑ ግጭታት ኣብ ሰለስተ ጉጅለታት ይመቕሉዎም። ንሳቶም ድማ፦ ብኸፊል ደረቕ ንዝኾነ ዞባ ሳሕል ኣፍሪቃ ከም ኣብነት እንተወሲድና ኣብ ሞንጎ ኣርባሕቲ እንስሳታትን ሓረስቶትን ብሰንኪ ሕጽረት ንጥሪቶም ወይ ናይ ሕርሻ ቦትኦም ዘስትይዎ ማይ ጎንጺ ከጓንፍ ምርኣይ ልሙድ’ዩ። መጠን ጠለብ ማይ እናወሰኸ ይመጽእ ብምህላዉ ከኣ ብዝሒ እቶም ዘጋጥሙ ጎንጽታት ክውስኹ ከም ዝኽእሉ ምግማት ኣየጸግምን። “ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ቀረባ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዘርእዮ ብሰንኪ ማይ ዘጋጥሙ ግጭታት ምስ ከይዲ ጊዜ እናወሰኹ ይመጽኡ ኣለዉ” ይብል ኣብ ትካል ሃብቲ ዓለም ዳይሬክተር ጉዳያት ማይ ቻርለስ ኣይስላንድ። “ወሰኽ ብዝሒ ህዝብን ቁጠባዊ ምዕባለን ብደረጃ ዓለም ንዘሎ ጠለብ ማይ ክውስኽ ገይርዎ’ሎ። ብኣንጻሩ ድማ ለውጢ ኩነታት ኣየር [ክሊማዊ ለውጢ] መጠን ማይ ክንክይ ይገብር ኣሎ ክብል ብንጽጽር የረድእ። እቲ ኣብ ሞንጎ ሕጽረት ማይን ግጭትን ዘሎ ርክብ ብቐሊሉ ክትግንዘቦ ትኽእል ኣይኮነን። ዋላ’ውን ኣዝዩ ጽንኩር ዝኾነ ደርቂ እንተጋጠመ እቲ ኩነታት ናብ ግጭት የምርሕ’ዶ ይኸውን ዝብል ሕቶ ኣብ ብዙሓት ዝተሓላለኹ ምኽንያታት ዝተመስረተ እዩ ዝኸውን። ብሰንኪ ማይ ክፍጠሩ ዝኽእሉ ግጭታት ብኣጋ ምፍላጥ እንተተኻኢሉ ግን፡ ኣብ መጻኢ እቲ ጎንጺ ከይኽሰት ኣቐዲምካ ዝኾነ ፍታሕ ምግባር ይከኣል’ዶ? ነዚ ሕቶ ዝወሃብ መልሲ ንኹሉ ብሰንኪ ሕጽረት ማይ ዘጋጥም ዓይነት ግጭታት ሓደ ዓይነት ፍታሕ ምሃብ ወይ ኣቐዲምካ ምድላው ዝከኣል ኣይኮን ዝብል’ዩ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዘጋጥም ብኽነት ወይ ላሕዂ ምንካይ ንርእሱ ዓብዪ ውጽኢት ከምጽእ ዝኽእል ስራሕ’ዩ። ንኣብነት ኣብ ዒራቕ ካብቲ ንመስተ ዝጻረ ማይ እቲ ክልተ ሲሶ ዝኸውን ብሰንኪ ድኹም ትሕተ ቕርጺ [መሰረተ ልምዓት] ዝባኽን’ዩ። ብዘይካ’ዚ ኣብ ብልሽውና [ሙስና] ቁጽጽር ምግባር ከምኡ’ውን ሕርሻ ካብ ትሕቲ መሬት ዝርከብ ብዝያዳ ከይጥቀም ምግባር ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ጸገማት ኣብ ምንካይ ትርጉም ዘለዎም ተወሰኽቲ ኣማራጺታት ፖሊሲታት እዮም። ኣይስላንድ፡ ማይ ክንድምንታይ ክቡር ነገር ምዃኑ ግንዛበ ንምፍጣር ኣብ ዋግኡ ወሰኽ ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ይምዕድ። ምኽንያቱ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋላት ዓለም ማይ ዝሓሰረ ዋጋ ዘለዎን ብብዝሒ ዝርከብን ሃብቲ ከም ዝኾነ እዩ ዝሕሰብ። ዝተፈላለዩ ስልትታት እናተጠቐምካ ናብ ረብሓ ዝውዕል ማይ ክውስኽ ምግባር እውን ካልእ ኣማራጺ እዩ። ንኣብነት ናይ ባሕሪ ማይ ጨውነቱ ኣምኪንካ ናብ ረብሓ ከውዕል ምግባር። ንኣብነት ስዑዲ ዓረብ ኣብዚ እዋን 50 ሚኢታዊት ጠለብ ማይ በዚ መገዲ’ያ ተቕርብ። ዝባኸነ ማይ መሊስካ ናብ ረብሓ ክውዕል ዝግበረሉ መስርሕ ቴክኖሎጂ’ውን ኣዝዩ ዝቐለለን ብዝተሓተ ዋጋ ዝስራሕን ስለ ዝኾነ ክሕሰበሉ ይግባእ። ሓደ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ናይ ባሕሪ ማይ ጨዉ ብምንካይ ወይ ዝባኸነ ማይ ብዳግመ መስርሕ ናብ ረብሓ ክውዕል ምግባር፤ ነቲ ብደረጃ ዓለም እኹል ማይ ዘይረክብ 40 ሚኢታዊት ህዝቢ ናብ 14 ሚኢታዊት የውርዶ። ምስሕሓብ ማይ ናይል [ኒል] ብደረጃ ዓለም ብሰንኪ ማይ ዝጓሃሃሩ ብዙሓት ወጥርታት ምጥቃስ ይከኣል። ንካዛኪስታን፣ ኡስቤኪስታን፣ ቱርክመኒስታን፣ ታጃኪስታንን ኪርጊስታንን ዘሰሓሕብ ጉዳይ ባሕሪ ኣራል፤ ንግዝኣታት ሌቫንታይን ዘዋጥጥ ጉዳይ ሩባ ጆርዳን፤ ንቻይና ምስ ኣብ ደቡብ ምብራቕ እስያ ዘለዋ ጎረባብታ ንኽትሰሓሓብ ዝገበረ ሩባ ሜኮንግ ብኣብነት ይጥቀሱ። እንተኾነ እዚኦም ኩሎም ካብ ወጥሪ ብዝዘለለ ገና ናብ ጎንጺ ዝሰገሩ ኣይኮኑን። እተን ኣብ ዋሕዚ ሩባ ናይል ዝምርኮሳ ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ድማ ንህንጸት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ስዒቡ ኣብ ፖለቲካዊ ወጥሪ ኣትየን ይርከባ። እቲ ክሳብ 3.6 ቢልዮን ዶላር ከምዝሓትት ዝዝረበሉ ግድብ ዝፈጥሮ ቀላይ ዕብየቱ ክንዲ ሰለስተ ዕጽፊ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከብ ቃላይ ጣና ከም ዝኸውን ይግመት። ኢትዮጵያ ዝመጽአ ይምጻእ ብምባል ንህንጸት እቲ ግድብ ትቕጽል ኣብ ዘላትሉ እዋን: ግብጽን ሱዳንን ብወገነን ብተደጋጋሚ ሓበራዊ ወተሃደራዊ ልምምዳት ኣብ ምክያድ ይርከባ። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ‘ሓለውቲ ናይል’ [ጋርዲያንስ ኦፍ ናይል’] ብዝብል ዘካየድኦ ልፍንታዊ ወተሃደራዊ ምርኢት ምግባረን ይዝከር። እዚ ወጥሪ ናብ ኲናት ከየምርሕ’ኳ ስግኣታት እንተሃለዉ፤ ካብዚ ብዝያዳ ዘሻቕሉ ተመሳሰልቲ ጉዳያት ግን ኣይተስኣኑን። ንፓኪስታን ምስ ህንዲ ዘፋጠጠ ጉዳይ ማይ ምናልባት ኣብ ቀረባ ክጓሃሃር ዝኽእል ድጉል ሓዊ ከም ዝኾነ ይእመን። ፕረዚደንት ኡዝቤኪስታን ኢስላም ካሪሞቭ እቲ ጉዳይ ናብ ዞባዊ ጎነጽ ከምርሕ ከም ዝኽእል ስግኣቱ ይገልጽ። ኣብ ክፍፍል ማይ ዝግበሩ ስምምዓት ነቶም ዘለዉ ወጥርታት ኣብ ምቅላል ዝህልዎም እጃም ዓብዪ እዩ። ብድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም ጥራሕ ኣስታት 200 ምስ ማይ ዝተሓሓዙ ስምምዓት ከም ዝተፈጸሙ ይዝረብ። ንኣብነት ኣብ 1960 ኣብ ሞንጎ ህንድን ፓኪስታንን ዝተፈረመ ውዕል ማያት ኢንዱስ ምጥቃስ ይከኣል። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ሩባታትን ቀላያትን ብዝተሓሓዝ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ዝፍጸም ዓለማዊ ውዕል ማይ ንምትእትታው ፈተነ እንተገበረ’ኳ ዛጊድ ግን 43 ሃገራት ጥራይ ከም ዝፈረማሉ ይግለጽ። ገለ ምሁራት ግን ሓደሽቲ ውዕሊታት ምትእትታው ኣገዳሲ ምዃኑ ይሕብሩ። ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን እውን ንምስሕሓበን ክፈትሓ እንተዘይኪኢለን ናይ ደገ ሓገዝ ክጠልባ ኣብ ለንደን ናይ ዝርከብ ዘይመንግስታዊ ትካል ሓላፊት ምሕደራ ሃፍቲ ተፈጥሮን ለውጢ ክሊማን ጀሲካ ሃርቶግ ሓሳብ ተቕርብ። “ሰለስቲኤን ሃገራት በዓልተን ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሓ እምነት ኣለኒ፤ እንተኾነ ነቲ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ዓለምለኻዊ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕርታት ኣገዳሲ እዩ” ትብል። ኣሜሪካ፣ ሩስያን ቻይናን ብሓባር ኮይነን ነተን ብማይ ሩባ ናይል ዝተፋጠጣ ሰለስተ ሃገራት ኣብ ቀያዲ ስሉሳዊ ስምምዕ ክኣትዋ ከተባብዓ ድማ ትጽውዕ። ለውጢ ክሊማን ምውሳኽ ብዝሒ ህዝቢ ዓለምን ቀንዲ መንቀሊ ደርቂ ምዃኖም ቀጺሎም ኣለዉ። ነዚኦም ዝግበር መፍትሒ ከኣ ኣብ ምንካይ ጎንጽታትን ፍልሰትን ዓብዪ ትርጉም ኣለዎ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58319197"} {"headline":"ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ጄፍሪ ፌልትማን ናብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ኬንያን ጉዕዞ ጀሚሩ","content":"ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ጄፍሪ ፌልትማን ናብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ኬንያን ጉዕዞ ከም ዝጀመረ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣፍሊጡ። ጄፍሪ ፌልትማን ካብ ሰኑይ 31 ግንቦት ጀሚሩ ክሳብ ቀዳም 5 ሰነ 2021 ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ቀጠር፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢመራት ዓረብን ኬንያን ከም ዝበጽሕ ተገሊጹ። እቲ ፍሉይ ልኡኽ ናብዘን ሃገራት ኣብ ዘካይዶ ጉዕዞ ኣብ ዙርያ ግድብ ሕዳሰን ጉዳያት ጸጥታ ቀርኒ ኣፍሪቃን ከም ዝዘራረብ ክግለጽ እንከሎ፡ ፍሉይ ልኡኽ ፌልትማን ምስ ሰብ መዚ እተን ሃገራት ከም ዝራኸብ መግለጺ እቲ ሚኒስትሪ የረድእ። እቲ ፍሉይ ልኡኽ \"ምስ ሰብ መዚ እተን ሃገራት ተራኺቡ ኣብ ምዕባለን ምርግጋእን እቲ ዞባ ትኹረት ዝገበረ ዘተ ከካይድ'ዩ\" ክብል እንከሎ፡ \"ኣብ ዙርያ ግድብ ሕዳሰ ዘሎ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ኩሎም ወገናት ዝቕበሉዎ ስምምዕ ክብጻሕ\" ዘኽእል ዘተ ከም ዘካይድ እቲ ሚኒስትሪ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ከም ዘተሓሳሰቦ ዝገለጸ ፕሬዝደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ እቲ ፍሉይ ልኡኽ ተመሊሱ ናብ ሃገራት ቀርኒ ፍሪቃ ከም ዝጉዓዝ ገሊጹ ነይሩ። እንተኾነ ናይ ሕጂ ትኹረቱ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ከም ዝኾነ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ የመልክት። እተን ጄፍሪ ፌልትማን ምብጻሕ ዘካይደለን ሃገራት ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ወተሃደራውን ጉዳያት ዘለወን እጃም እናዓበየ ክመጽእ እንከሎ ኣብ ጎኒ ኣመሪካ እትገብሮ ጻዕሪ ንክስለፋ ጻዕሪ ንምግባር ከም ዝኾነ ይግመት። ኬንያ ካብ ቀረባ ዓመታት ንነጀው ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘለዋ ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ጽልዋ እናጎልሐ ይመጽእ ኣሎ። ምምሕዳር ጆ ባይደን ናይ ፖሊሲ ለውጢ ብምግባሩ፡ ብሓባር ሽብርተኝነት ንምቅላስ ኣብ ቀረባ ምስ ኣመሪካ ወተሃደራዊ ልምምድ ንምግባር ቑጽሮም ብወግዒ ዘይተፈልጡ ወተሃደራት ናብ ኬንያ ከም ዝልኣኹ ተገሊጹ'ዩ። ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዘለዋ ጽልዋ ዝዓቢ ዘሎ ቀጠር ብወገና ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ናይ ድሕነትን ዲፕሎማስን እጃም ዝዓዘዘ ምዃኑ ይግለጽ። ቅድም ኢሉ ምስ ሱዳንን ኤርትራን ጥቡቕ ዝምድና ዝነበራ ቀጠር ካብ ቀረባ ዓመታት ንነጀው ምስ ኢትዮጵያን ሶማሊያን'ውን ርክባ ክጠናኸር ገይራ እያ። በዚ ምኽንያት ኣብ ሞንጎ ሱዳንን ኤርትራን ከምኡ'ውን ኤርትራን ጅቡትን ዝነበረ ዘይምቅዳው ንምፍታሕ ጻዕሪ ከም ዝገበረት ይዝከር። ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢመራት ዓረብን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ወሽመጥ ዓረብን ዓብዪ ጽልዋ ዘለወን ሃገራት ኮይነን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ'ውን ዘይንዓቕ ግደ ከም ዘለወን ይዝረብ። ክልቲአን ሃገራት ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጽቡቕ ዝምድና ዘለወን ኮይነን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንክልተ ዓሰርታት ዓመታት ዝዘለቐ ዘይምቅዳው ኣብ ምፍታሕ ሓጋዚ ተራ ከም ዝነበረን ይእመን። ብተወሳኺ ኣብ ዙርያ ድሕነት ዘለወን ኣበርክቶ ቀሊል ከም ዘይኮነ ይግለጽ። ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ኮይኑ ዝተሾመ ፌልትማን ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ኣብ ግብጺ ሓዊሱ ናብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ምብጻሕ ከም ዝገበረ ይዝከር። ፌልትማን መጀመርታ ካብ 26 ሚያዚያ ክሳብ 5 ግንቦት 2013 ዓ.ም ኣብ ዝነበሩ መዓልታት ናብ ግብጺ፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ተጓዒዙ ነይሩ። እቲ ምብጻሕ ኣብ ትግራይ ዘሎ ግጭት ከምኡ'ውን ኣብ ዙርያ ግደብ ሕዳሰ ንዓመታት ዝዘለቐ ዘይምቅዳው ንምፍታሕ ጸቕጢ ንምግባር ዝዓለመ ምንባሩ ይእመን። ጉዕዝኡ ብግብጺ ዝጀመረ ፌልትማን ኣብ ካይሮ ምስ ፕሬዝደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ኣብ ዝነበሮ ዘተ፡ ኣልሲሲ ግብጺ ካብ ሩባ ኣባይ እትረኽቦ ብጽሒት ክጎድል ኣይትዕገስን ክብል እንከሎ ኣምባሳደር ፌልትማን ብወገኑ ምምሕዳር ባይደን ኣብቲ ዞባ ዘለው ግዜ ዘይህቡ ጉዳያት ንምፍታሕ ትኹረት ከም ዝገብር ገሊጹ ክብል ዋሽንግተን ፖስት ጸብጺቡ ነይሩ። ፌልትማን ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝነበሮ ምብጻሕ ምስ ፕሬዝደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናይ ኣርባዕተ ሰዓታት ዘተ ከካይድ እንከሎ ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለው ጸገማት ንምፍታሕ ምስ ኣመሪካ ብሓባር ክትሰርሕ ዘለዋ ድልውነት ኣረጋጊጹ ክብል ሚኒስትሪ ዜና የማነ ገብረመስቀል ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር። ጄፍሪ ፌልትማን ብፍሉይ ንጉዳያት ኢትዮጵያ ክከታተል ሓላፍነት ዝተዋህቦ ኮይኑ ኣብ ልዝብን ሽምግልናን መጽናዕቲ ብምክያድን ሃገራት ኣብ ምድርዳርን ሰፊሕ ተሞኩሮ ከም ዘለዎ ይግለጽ። ኣማኻሪ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ባንኪ ሙንን ዋና ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተሬዝን ዝነበረ ፌልትማን ኣብ ቤት ጽሕፈት ሚኒሰትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ን26 ዓመታት ኣገልጊሉ'ዩ። ብተወሳኺ ኣብ ሊባኖስ፣ ዒራቕ፣ እስራኤል፣ ቱኒዝያ፣ ሃንጋሪን ሃይትን ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኮይኑ ኣገልጊሉ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57291577"} {"headline":"ምስሕሓብ ግድብ ህዳሰ፡ ሓደሽቲ ኣፍሪቃውያን መሓዙት ግብጺ","content":"ግብጺ ብጉዳይ ግድብ ህዳሰ ምስ ኢትዮጵያ ትሰሐሓብ ኣብ እትርከበሉ እዋን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ዲፕሎማስያውን ወታሃደራውን ተሰማዕነት ንምሕያል ትሰርሕ ኣላ ይብል ግብጻዊ ተንታኒ ማግዲ ዓብደልሓዲ፡፡ ብ1875 ዝተመስረተ ጂኦግራፍያዊ ማሕበረሰብ ግብጺ፡ እታ ሃገር ኣብ ትሕተ-ሳሃራ ኣፍሪቃ ዘለዋ ድልየት ዘንጸባርቑ ገለ ድርሳናት ኣለዉዎ፡፡ ካብዚኦም ሓደ ደቡባዊ ዶብ እታ ሃገር ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከብ ቃላይ ቪክቶርያ ገይሩ ዘርእይ ታሪኻዊ ካርታ እዩ፡፡ እቲ ጂኦግራፍያዊ ማሕበረሰብ፡ ኣብ እዋን እቲ ነዊሕ ዘይጸነሐ ሃጸያዊ ሕልሚ ግብጺ ዝተመስረተ እዩ፡፡ ኣብቲ እዋን ንሱዳን ኣብ ቁጽጽራ ክተውዕላ እንከላ ንኢትዮጵያ ንምውራር ድማ ካብ 1874 ክሳብ 1876 ከበድቲ ወታሃደራዊ ወፍሪታት ኣካያዳ፡፡ ኮይኑ ግና ብዘሕፍር ኣገባብ ብኢትዮጵያ ተሳዒራ፡፡ ግብጺ ድሕሪ 70 ዓመታት፡ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ይካየድ ኣብ ዝነበረ ቃልሲ መሪሕ ብምዃን ነቲ ገባታይ ድሕረ ባይታኣ ኣከሓሒሳቶ፡፡ ኣብ ኲናት ዓረብ-እስራኤል ኢዳ ምስኣእተወት ድማ ኣብ ሃገራት ትሕተ-ሳሃራ ኣፍሪቃ ዝነበራ ምንቅስቓስ ቀኒሳ፡፡ እንተኾነ ካብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ግና ብፍላይ ኣብ ተፋሰስ ናይል ምስዝርከባ ሃገራት ዘለዋ ርክብ መሰረታዊ ብዝበሃል መልክዕ ተቐዪሩ፡፡ ግብጺ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ቁጠባውን ወታሃደራውን ትሕዝቶታት ዘለዎም ስምምዓት ምስ ሃገራት ዩጋንዳ፣ ኬንያ፣ ቡሩንዲ፣ ርዋንዳን ጅቡቲን ከቲማ እያ፡፡ ምስታ ኣብ ቀረባ እዋን ነፈርቲ ውግእን ፍሉይ ሓይሊታትን ዘሳተፈ ወታሃደራዊ ልምምድ ሓቢራታ ዘካየደት ሱዳን ሰፋሕቲ ስምምዓት ምትሕግጋዝ ካብ ዝገብራ ጸኒሐን እየን፡፡ መስመራት ኤሌክትሪካ ምስ ሱዳን ኣራኺባ ዘላ ግብጺ፡ ከተማ ኣለክሳንድርያ ምስ ኬፕ ታውን ዘራኽብ ናይ ባቡር መስመር ንምዝርጋሕ ዝዓለመ ገዚፍ ራእይ ንምትግባር ትትልም ኣላ፡፡ ነዚ ኩሉ ናይ ለውጢ ፖሊሲ ምኽንያት ዝኾነ ግን ሓደን ሓደን እዩ፤ ኢትዮጵያ ‘ዓብዪ ግድብ ህዳሰ’ ኢላ ዝሰየመቶ ኣብ ከይዲ ህንጸት ዝርከብ ግድብ፡፡ በዓል ሞያ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ናኢል ሻማ ‘‘ግብጺ ኣብ ጉዳይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ኣፈላላይ ንምፍታሕ ንነዊሕ እዋን ኣብ ዲፕሎማሲ ተሞርኲሳ ጸኒሓ እያ፡፡ እንተኾነ እቲ ናይ ዘተ መገዲ ዝተዳኸመ ወይ ናብ ምድኻም ዝቐረበ ይመስል’’ ኢሉ፡፡ ግብጺ ዓበይቲ ወፍሪታት ኢንቨስትመንት ትገብረሎም ናይ ዘላ ሃገራት ካልእቲ መርኣያ ታንዛንያ እያ፡፡ ኣብዚ ኣብ ሪፊጂ ሩባ ዝተሃነጸ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ጁልየስ ነረረ ዓብዪ ኢንቨስትመንት ተካየድ ኣላ፡፡ እዚ ድማ እታ ኪንዮ ሩባ ናይል ካልእ ንመስተን ሕርሻን ዝኸውን ኣማራጺ ዘይብላ ግብጺ፡ ሃገራት ተፋሰስ ናይል ክለምዓ ናይ ምሕጋዝ ድልየት ከምዘለዋ ከም መርኣያ ክውሰደላ እትደልዮ እዩ፡፡ ግብጺ ኣብቲ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ግድብ ተቓውሞ የብላን፤ እንተኾነ ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ከመይ ከምእተመሓድሮ ቀያዳይ ዝኾነ ስምምዕ እንድሕር ዘይፈሪማ፡ እቲ ግድብ ኣብ መጠን ፍሰት ሩባ ናይል ለውጢ ከምጽእ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዋ፡፡ እቲ ግድብ ንሕርሻ ግብጺ ከይጸሉን ድርቅን ሸቕሊ ኣልቦነት ከየስዕብን ስግኣት ኣሎ፡፡ ትኹረትን ለውጥን ፖሊሲ ወጻኢ ግብጺ ኣብ ሃገራት ትሕተ-ሳሃራ ኣፍሪቃ ካብ ዝልወጥ ጸኒሑ እኳ እንተኾነ፡ ገለ ግብጻውያን ግን ቁሩብ ዝደንጎየ እዩ ይብሉ፡፡ ‘‘ኣብ ዘበናዊ ፖለቲካ ጽልዋ ዝፈጥር፡ መድፍዕን ጥይትን ኣይኮነን’’ ዝብል ኣብ ዩኒቨርስቲ ዌስት ሚኒስተር ዝምህርን ኣማኻሪ ንግድን ዋላ ባክሪ እዩ፡፡ ‘‘ምስ ከም ሃገራት ተፋሰስ ናይል ዝኾና ብሩንዲ፣ ርዋንዳ ወይ ዩጋንዳ ስምምዓት ጸጥታ ምግባር ግርም እዩ፤ ኮይኑ ግና ንግብጺ እቲ እትደልዮ ጽልዋ ከምጸአላ ኣይኽእልን’’ ክብል ጽሒፋ፡፡ ሓያል ንግዳዊ ምትእስሳር ካብ ወታሃደራዊ ቅልጽም ብዝበለጸ ውጽኢት ከምጸአላ ይኽእል ብምባል እውን ይሙግት፡፡ ‘‘ግብጺ ዘይትደልዮ ዘበለ ኩሉ ካብተን ሃገራት ክትገዝእ ኣለዋ ዝበለ የለን፤ ንኣብነት ግን ሃገራት ተፋሰስ ናይል፡ ኣዝዩ ብዙሕ መጠን ዘለዎ ደረጅኡ ዝሓለወን ቡን የፍርያ እየን፡፡ ግብጺ ከኣ በቢዓመቱ ልዕሊ 95.5 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ቡን እትሽምት ኮይና ካብ 95 ምኢታዊት ንላዕሊ ግን ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ካብ ዘለዋ ሃገራት እያ እትገዝእ’’ ይብል፡፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብዚ እዋን ኣብ ግብጺ ዘሎ ስምዒት ነገር ምጽሕታር እናዐበየ ይመጽእ ኣሎ፡፡ መራሒ እታ ሃገር ዓብዱልፈታሕ ኣልሲሲ እውን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ብርትዕ ክብል ጸቕጢታት ይግበሮ ኣሎ፡፡ ደገፍቲ እቲ ፕረዚደንት እውን እንተኾኑ፡ነቲ ‘ናይ ግብጺ ናይ ማይ መሰል ከኽብር እንድሕር ዘይክኢሉ ናይ ምምራሕ ስልጣን የብሉን’ ዝብል ንምሕሳቡ ዝኸብድ ኣመለኻኽታ፡ ዓው ኢሎም እንተዘይኮነ እውን ይዛረብዎ ኣለዉ፡፡ ግብጺ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝግበር ግጥም ዘይተርፍ እንተኾይኑ፡ እቲ ኣብ ዙርያ ኢትዮጵያ ኣብ ዘለዋ ሃገራት እትዝርገሖ ዘላ ሰንሰለት ምሕዝነት ዋጋ ከምትረኽበሉ ተስፋ ትገብር፡፡","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57592293"} {"headline":"ግድብ ሕዳሰ: ሱዳን ወሲዳቶ ዘላ ተሪር መርገጺ መንቀሊኡ እንታይ'ዩ?","content":"ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ጉዳይ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ መርገጺኣ ሓንሳብ ምስ ኢትዮጵያ ሓንሳብ ምስ ግብጺ እዩ ክውግን ጸኒሑ። ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ግን ሙሉእ ንሙሉእ ናይ ግብጺ ጸግዒ ወሲዳ ምህላዋ ሪፖርተር ቢቢሲ ዘይነባ መሓመድ ሳልሕ ካብ ካርቱም ትሕብር። ብዛዕባ ዓቢ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ዘተ ኣብ ዝካየደሉ፡ ሱዳን ካብ ንዝተብሃለ ሕራይ ምባል ወጺኣ ናብ ተወላዋሊትን ብዓቢኡ'ውን ናብ ኵናትን እያ ኣትያ ዘላ። እዚ ከኣ እቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ድሕሪ ምውዳቕ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣል በሽረር ኣብ ስልጣን ዝርከብ መሰጋጋሪ መንግስቲ ሱዳን ፈጢርዎ ዘሎ ጽልዋ ዘርኢ እዩ። ኢትዮጵያ ምስ ምምጻእ ክረምቲ ዋላ ኣብ ስምምዕ ኣይበጻሕ ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ከም እተካይድ ኣብ ትገልጸሉ ዘላ እዋን እቲ ኣብ ሞንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሎ ፍሕፍሕ ዝያዳ ሓሽኪሩ ይርከብ። ግብጽን ኢትዮጵያን እቲ ግድብ ምስ ህላዉኤን ዘለዎ ቀጥታዊ ምትእስሳር ኣመልኪተን ዘቲየን እየን። ኢትዮጵያ፡ እቲ ግድብ ኣብ ቁጠባኣ ከምጽኦ ዝኽእል መስተርሆት ብምሕባር፡ ድሕሪ ምዝዛም እዚ ፕሮጀክት 60 ሚእታዊት ካብ ህዝባ ካብዚ ፕሮጀክት ቀረብ ጽዓት ናይ ኤለትሪክ ክረክብ ምዃኑ ትሕብር። ግብጺ ብወገና እቲ ፕሮጀክት ብመገዲ ፈለግ ኒል ናብ ግብጺ ክመጽእ ዝኽልእ ማይ ስለ ዝዓግቶ ኣብ ቀጻልነት ህይወት ህዝባ ዓቢ ስግኣት ከም ዝፈጥር ትማጎት። ኣብ ሞንጎ እዘን ክልተ ሃገራት እትርከብ ሱዳን'ውን ኒል ንዓኣ ኣቋሪጹ ናብ ግብጺ ስለ ዝኸይድ፡ ንዓኣ'ውን ብቀጥታ ከም ዝጸልዋ ብምግላጽ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣትሪራ ትማጎተሉ'ላ። ኣማኻሪ ላዕለወይ ሓላፊ ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ሊተናል ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን፡ ብዛዕባ እዚ ዘሎ ናይ ማይ ኵናት ኣብ ዝገለጸሉ \"ማሕበረሰብ ዓለም ጣልቃ ብምእታው መፍትሒ እተዘይኣምጺእሉ ልዕሊ እቲ ሰብ ዝግምቶ ሓደገኛ ክኸውን እዩ\" ኢሉ። ሱዳን ኣብ መጀመርታ ነቲ 'ፕሮጀክት' ሓንጎፋይ ኢላ ተቐቢላቶ ነይራ። 14 ኣዋርሕ ንድሕሪት ምልስ ኢልና ሰነዳት ምስ እንፍትሽ፡ ካብ ካርቱም ካልእ ዓይነት ድምጺ እዩ ዝስማዕ ነይሩ። ሚኒስተር ሃብቲ ማይ ሱዳን ያሲር ዓባስ ኣብ ለካቲት 2020 እቲ ግድብ ንሱዳን ክሳብ ክንደይ ጠቓምን ኣርባሕን ምዃኑ ብምግላጽ ሱዳን ካብዚ ግድብ ብዙሕ ረብሓታት ከም ዝህልዋ እዩ ዘርዚሩ ኣረዲኡ። ሚኒስተር ያሲር ዓባስ፡ ኣብ መግለጺኡ እቲ ግድብ ምህናጹ እቲ ናብ ሱዳን ዝፈስስ ማይ ፍሉጥ ከም ዝኽውን፡ ኣብ ሱዳን ሳልሳይ ወቅቲ ናይ ሕርሻ ንክህሉ ከም ዝሕግዝን ሱዳን ሕሱር ቀረብ ኤለትሪክ ንክትረክብ መገዲ ዝጸርግን ምዃኑ'ውን ኣብሪሁ። ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ብሞንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሞንጎ ግብጺ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ልዝብ ብዘይ ፍረ ተበቲኑ። ድሕሪኡ ሚኒስተር ያሲር ዓባስ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ስምምዕ ከይተበጽሐ ነቲ ግድብ ክትመልኦ እንተጀሚራ ንሱዳን ስግኣት ሃገራዊ ጸጥታ ከም ዝኾና ንጋዜጤኛታት ሓቢሩ። ሱዳን፡ ኢትዮጵያ ሓደ ቀያዲ ዝኾነ ስምምዕ ክትፍርም ኣለዋ ኢላ እያ ትማጎት። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዝመጽእ ክፍጥር ዝኽእል ምስሕሓባት ብኸመይ ክፍታሕ ከም ዘለዎ ካብ ሕጂ ዘተ ክካየደሉ ኣለዎ ዝብል'ውን እቲ ሱዳን ከም ካልኣይ ነጥቢ ኣቐሚጣቶ ዘላ እዩ። ሚኒስተር ያሲር ዓባስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል'ውን፡ ኢትዮጵያ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ልዝብ ንምሕልላኽ ነቲ ማይ ንሕርሻዊ ሃልኪ ክጥቐመሉ'የ ዝብል ሓዲሽ ሓሳብ ሒዛ ትመጽእ ኣላ ኢሉ። ንሱ ብምስዓብ \"እቲ ዲጋ ኣብ ሓደ ስምምዕ ከይተበጽሐ ኢትዮጵያ ክትመልኦ እንተጀሚራ፡ ነቶም ካብዚ ማይ እዚ ህይወቶም ዝመርሑ ህዝብን ነቲ ከባብን ኣዝዩ ዘስግእ እዩ\" ኢሉ። እቲ ሚኒስተር፡ ግብጺ፡ ኣብ ዲጋ ኣስዋን እኹል ክዙን ማይ ከም ዘለዋ ብምግላጽ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ዲጋ ክትመልኦ እንተጀሚራ ካብ ግብጺ ንላዕሊ ሱዳን ከምእትሽገር ኣብሪሁ። እዚ ሚኒስተር ያሲር ዓባስ ዝገልጾ ዘሎ ካብ ቀደም'ውን ዝዝረብ ዝነበረ እኳ እንተኾነ፡ ሱዳን ሕጂ ድያ ከተስተብህለሉ ጀሚራ ዋላስ መርገጺኣ ክትቕይር ዝደረኸ ክስተት ኣሎ እዩ? ዝብል ዛዕባ ኸኣ ኩሉ ሰብ ዘልዕሎ ዘሎ ኣርእስቲ ኮይኑ ይርከብ። እቲ ምስዚ ተተሓሒዙ ዝልዓል ነጥቢ ከኣ ድሕሪ ምውዳቕ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ኣብ ሱዳን ስልጣን ተማቒሎም ዘለዉ ወተሃደራትን ሲቪልን፡ ወተሃደራዊ'ዶ ሲቪላዊ ሓይሊ ይዕብልል ቅልጽሞም ንከርእዩ ንዓቢ ግድብ ህዳሰ ከም መስትያት ይጥቐምሉ ኣለዉ ዝብል እዩ። ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ንሱዳንን ግብጽን ስግኣት ሃገራዊ ጸጥታ'ዩ ንምባል ካልኦት ዝልዓሉ መእመኒ ሓሳበት'ውን ኣለዉ። ሱዳንን ኢትዮጵያን ብጉዳይ ኣል ፋሽጋ ኣብ ዶባዊ ምስሕሓብ እየን ዘለዋ። እቲ ኣብ ሞንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ዝተጀመረ ዶባዊ ምስሕሓብ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ወጥሩ እናወሰኸ'ዩ ዝኸይድ ዘሎ። እዚ ሓደ ካብቲ ሱዳን ብጉዳይ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ንኢትዮጵያ ትህቦ ዝነበረት ደገፍ ንኽትቅይር ዝደረኸ ነጥቢ እዩ ዝብሉ'ውን ብዙሓት'ዮም። ዋላ እኳ ኣብ ሞንጎ ሱዳንን ኢትዮጰያን ዘሎ ዶብ ብንጹር ዘይተመልከተ እንተኾነ እቲ ኣብ እዋን መግዛእቲ ኣብ ሞንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ውዕላት ናይ ዶብ፡ እቲ ሕጂ ዘሰሓሕበን ዘሎ ልሙዕ መሬት ኣልፋሽጋ ናይ ሱዳን ምዃኑ እዩ ዘርኢ። እንተኾነ ኢትዮጵያውያን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ግብሪ እናኸፈሉ ክነብርዎ ጸኒሖም'ዮም። ኣብ 2008 ኢትዮጵያ እቲ መሬት ናይ ሱዳን ምዃኑ እኳ እንተኣመነት ካብቲ መሬት ግን ኣይወጸትን። ኢትዮጵያ በቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኵናት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያታ ተጸሚዳ እንከላ ሱዳን ከም ዕድል ብምጥቃም ሰራዊታ ናብ ኣልፋሽጋ ብምእታው፡ እቲ ናተይ እዩ ትብሎ መሬት ኩሉ ከም ዝሓዘቶ ገሊጻ። መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ ኣልፋሽጋ ንዝግበር ወተሃደራዊ ስጉምትታት ህዝባዊ ደገፍ ንክረኽበሉ ብዙሕ'ዩ ጽዒሩ። ጸለውቲ ሰባት ናብቲ ዶብ ብምውሳድ፡ ፍሉጣት ደረፍቲ ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲኖም ኣብ ካርቱም ሙዚቃዊ ምርኢት ከም ዘቕርቡ ምግባር ገለ ካብቲ ህዝቢ ንምጉስጓስ ዝተጠቐመሉ ሜላ እዩ። ኣብ ሰሜን ሱዳን'ውን ኣባላት ሓይሊ ኣየር ሱዳን ምስ ሓይሊ ኣየር ግብጺ ብምዃን ሓባሪዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ከካይዱ ጸኒሖም'ዮም። ኣብ ጥሮታ ዝርከብ ብሪጋደር ጀነራል ሞሓመድ ጋለንደር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል \"በትሮም ናብ ኢትዮጵያ ንምውጥዋጥ ኢሎም ይገብርዎ ከም ዘለዉ ፍሉጥ'ዩ\" ኢሉ። ኢትዮጵያ፡ እቲ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኣብ ልዕሊ ሱዳንን ግብጽን እንትርፎ ኣወንታዊ ረብሓ ዝፈጥሮ ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዘየለ ከተእምን ህርዲግ ትብል። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብትዊተር ዓቢ ግድብ ህዳሰ \"ጸገማት ንምፍጣር ሃቀነ የብሉን\" ድሕሪ ምባል፡ እቲ ዓሚ ኢትዮጵያ ዘካየደቶ ቀዳማይ ዙርያ ምምላእ እቲ ግድብ ንኽልቲኤን ሃገራት [ግብጽን ሱዳንን] ብፍላይ ኸኣ ንሱዳን ካብ ዕልቕልቕ ከም ዘድሓና ሓቢሩ። ንሱ ብምስዓብ ቅድሚ ካልኣይ ገጽ ምምላእ እቲ ግድብ ምጅማሩ ምልውዋጥ ሓበሬታ ከም ዝህሉ'ውን ገሊጹ። እዚ ቃላት ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ነቲ ግብጽን ሱዳንን ቀያዲ ዝኾነ ስምምዕ ክፍረም ዝጠልበኦ ዘለዋ ህንዳደ ዘህድእ ኣይመስልን እዩ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምህ ሾክሪ እቲ ግድብ ንሰለስቲአን ሃገራት ብዘይሃሲ መንግዲ ንክካየድ ግብጺ ተቕርቦ ዘላ ሓሳባት ደገፍ ንምርካብ ናብተን ንግብጺ ይድግፋ እየን ዝበለን ሃገራት ዑደት የካይድ ከም ዘሎ መንግስቲ ግብጺ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ገሊጹ ኣሎ። ላዕለወይ ሓላፊ ልዑላዊ ባይቶ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን'ውነ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ ተመሳሳሊ መልእኽቲ እዩ ኣሕሊፉ። ኣብ ሞንጎ እዘን ሃገራት [ግብጺ፡ሱዳንን ኢትዮጵያን] ዘሎ ፖሎቲካዊ ወጥሪ ረስኑ ኣብ ዝውስኸሉ ዘሎ ኣብ ስምምዕ ከይተበጽሐ ምስ ምምጻእ ክረምቲ ኢትዮጵያ ከም ቃላ ነቲ ዲጋ ክትመልኦ እንተጀሚራ ክምጽእ ዝኽእል ነገር ብኣግኡ ንምፍላጥ ክብድ ይብል እዩ። እቲ ክረምቲ'ውን ምምጽኡ ኣይተርፎን'ዩ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/56817369"} {"headline":"ግድብ ሕዳሰ፡ ግብጽን ሱዳንን ኢትዮጵያ ዘቕረበትለን ጻውዒት ነጺገን","content":"ኢትዮጵያ ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ማይ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ቅድሚ ምጅማራ ሓበሬታ ንምልውዋጥ፡ ግብጽን ሱዳንን ሰብ ሞያ ክውክላ ዘቕረበትለን ጻውዒት ነጺገንኦን። ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝመጽእ ናይ ክረምቲ ኣዋርሕ (ሓምለን ነሓሰን፤ ኢሉ'ውን መስከረም) ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ከም እተካይድ ሰብ ሞያ እታ ሃገር ገሊጾም ነይሮም። ግብጽን ሱዳንን ከኣ፡ እታ ሃገር እትሃንጾ ዘላ ገዚፍ ፕሮጀክት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብዝምልከት ኣብ ግዱድ ስምምዕ ከይተበጽሐ: ምምላእ ማይ ክተካይድ የብላን ኢለን ክጉስጉሳ ምጽንሐን ይፍለጥ። ኢትዮጵያ፡ ክልቲአን ሃገራት ዘቕርብኦ ሕቶ ብተደጋጋሚ ክትነጽጎ እንከላ፡ እቲ ግድብ ማይ ክትሕዝ ናይ ምግባር ስራሕ ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ዝርርብ እናተኻየደ'ውን ክኸውን ዝኽእል ከም ዝኾነ ትገልጽ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ከተማ ኪንሻሳ ተራኺበን ዘካየድኦ ዘተ ብዘይ ዝኾነ ፍረ ክበተን እንከሎ፡ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ምስ ግብጽን ሱዳንን ሓበሬታ ንምልውዋጥ ንክጥዕም ሰብ ሞይአን ከፍልጥኣ ሓቲታ። ይኹን'ምበር፡ ኣብ'ቲ ሕጋውን ቀያድን ስምምዕ ከይተበጽሐ ሓበሬታ ንምልውዋጥ ዝሕግዙ ሰብ ሞያ ከፍልጥኣ ዘቕረበትለን ጻውዒት ግብጽን ሱዳንን ኣይተቐበልኦን ክብል ሮይተርስ ጸብጺቡ። ማዕከን ዜና ሱዳን ሱና ንመግለጺ ሚኒስትሪ ማይን መስኖን እታ ሃገር ጸሪሑ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ፡ ኣብ ዙርያ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ሓበሬታ ምልውዋጥ ኣገዳሲ ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፡ ኣብ ስምምዕ ካብ ሞንጎ ዝተበጽሓሎም ጉዳያት ኣብ ውሱናት ትኹረት ዝገበረ ምዃኑ ጥርጣረ ከም ዝፈጠረሉ ገሊጹ። በዚ ምኽንያት፡ እተን ሃገራት ክሳብ ሕጂ ክሰማምዓ ብዘይምኽኣለን ዝተፈላለዩ ምድላዋት ይገብራ ምህላወን ይግለጽ። ሱዳን ንመስኖን ዝስተ ማይን ዘድልያ መጠን ማይ፡ ኢትዮጵያ ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ማይ ግድብ ሕዳሰ ቅድሚ ምጅማራ: ኣብቲ 600 ሚሊየን ሜትር ኲዩብ ማይ ክሕዝ ዝኽእል ግድብ ጀበል ኣወልያ ክትዓቚር ምዃና ሱና ጸብጺቡ። ሚኒስትሪ መስኖ ግብጺ ብወገኑ፡ ኢትዮጵያ እተካይዶ ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ማይ ብዓብዪ ግድብ ኣስዋን ከም ዘከሓሕሱዎ ብምግላጽ፡ ቀንዲ ስግኣቱ ደርቂ እንተጋጥም ምዃኑ ከም ዝጠቐሰ ሮይተርስ ጸብጺቡ። ሚኒስትሪ ማይ፣ መስኖን ኢነርጅን ኢትዮጵያ ስለሺ በቀለ፡ እቲ ኣብ ምዝዛም ዝርከብ ግድብ ሕዳሰ ማይ ንምምላእ ዝተትሓዘ መደብ ብዝኾነ መዐቀኒ ከም ዘይተናውሖ ብምግላጽ ነዚ ዝድግፍ ኣሰራርሓን ምኽንያትን የለን ኢሉ'ዩ። ህንጸት እቲ ግድብ ንምዝዛም 20 ሚኢታዊት ከም ዝተረፎ ክግለጽ እንከሎ፡ ሙሉእ ስርሑ እንትጅምር ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪ ዘምንጩ ዓቕሚ ክህልዎ'ዩ። ሰብ መዚ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋን ብምኽንያት እዚ ግድብ ካብ ሩባ ኣባይ ዝረኽብኦ መጠን ማይ ክንኪ'ዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘለወን ብተደጋጋሚ ክገልጻ ጸኒሐን'የን።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/56714291"} {"headline":"ኣብ 2020 ብብዝሒ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ኣብ ቅድሚት ዝተስርዓ ሃገራት ኣየኖት እየን?","content":"ኣብ 2020 ብብዝሒ ብሞት ካብ ዝቐጽዓ ሓሙሽተ ሃገራት ዓለም: እተን ኣርባዕተ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከባ ምዃነን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ገሊጹ። ኣብ 2020 ብደረጃ ዓለም 483 ሰባት ብሞት ከም ዝተቐጽዑ ዝገልጽ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ካብኦም እቶም 88 ሚኢታዊት ካብ ሃገራት ኢራን፡ ግብጺ፡ ኢራቕን ሰዑድ ዓረብን እዮም ኢሉ። ኣብ ሓደ ዓመት ክንድ'ዚ ቁጽሪ ብሞት ክቅጽዑ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ዝተመዝገበ ቁጽሪ ብምንጽጻር ዝተሓተ ከም ዝኮነ ዝገልጽ ኣምነስት ኢንተርናሽናል እዚ ቁጽሪ እዚ ናይ ቻይና ከም ዘይተወሰኾ ሓቢሩ። ቻይና ኣብ ዓመት ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ሰባት ብሞት ከምእትቀጽዕ ይግመት። እንተኾነ እቲ መስርሕ ፍርዲ ብሚስጢር ስለ እትሕዞ ነቲ ቁጽሪ ምፍላጡ ከም ዘጸግም ይግለጽ። ኣብ 2019 ኣብ ኣፍሪቃን ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቅን፡ 579 ሰባት ብሞት ተቀጺዖም ነይሮም። ኣብ ዓመተ 2020 ግን እቲ ቁጽሪ ናብ 437 ከም ዝወረደ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ። ኣብታ 27 ሰባት ብሞት ዝቀጽዐት ስዑዲ ዓረብ ምስ ናይ ዓመተ 2019 ብምንጽጻር ቁጽሪ ናይ ሞት መቅጻዕቲ ብ85 ሚኢታዊት ክጎድል እንከሎ ኣብታ 45 ሰባት ብሞት ዝቀጸዐት ኢራን ከኣ ብ50 ሚኢታዊት ጎዲሉ። ብኣንጻሩ ኣብታ 107 ብሞት ዝቐጽዐት ግብጺ እቲ ቁጽሪ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብምንጽጻር ብ300 ሚኢታዊት ክብ ኢሉ ኣሎ። በዚ መሰረት ኣብ ዓመት 2020 ብሞት ካብ ዝቐጽዓ ሃገራት ዓለም፡ ንቻይናን ኢራንን ተኸቲላ ሳልሰይቲ ዝልዓለ ቁጽሪ ሒዛ ዘላ ሃገር ግብጺ ኮይና፡ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኸኣ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ኣላ። ግብጺ ብሞት ካብ ዝቐጽዓቶም ሰባት እቶም 23 ምስ ፖለቲካዊ ናዕቢ ዝተኣሳሰር ክሲ ዝተመስረቶም ከም ዝኾኑን እቲ ናይ ፍርዲ መስርሕ ርትዓዊ ከም ዘይነበረን ክሱሳት ብሓይሊ ከም ዝኣምኑ ከም ዝተገበሩን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ጸብጻቡ ገሊጹ። ኣብ ግብጺ ምስቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣል ኣቕራብ ሞት ብዙሓት ፖሊስን እሱራትን ዘኸተለከ ፈተነ ህድማ እሱራት ብዝትሓሓዝ ኣብ ወርሒ ጥቅምትን ሕዳርን 57 ሰባት ብሞት ከም ዝተቐጽዑ ተፈሊጡ። ኣብ ዓመተ 2020፡ 246 ሰባት ብሞት ዝቐጽዐት ኢራን ንቻይና ተኸቲላ ኣብ ካልኣይ ተሰሪዓ ዘላ ሃገር እያ። ኣምነስቲ፡ መንግስቲ ኢራን ናይ ሞት መቅጻእቲ ከም መሳርሒ ፖሎቲካ ከም ዝጥቀመሉ ብምግላጽ ትእዛዙ ንዘይፍጽሙን ንዝቃወምዎን ብሞት ክቀጽዕ ከም ዝረአ ኣብሪሁ። ኣብ ኢራን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 3 ትሕቲ 18 ዓመቶም እንከለዉ ብዝፈጸምዎ ገበን ብሞት ዝተቐጽዑ ከም ዘለዉ ዝሓበረ እቲ ተሓላቒ መሰላት: ውሳነ ኢራን ንዓለምለኻዊ ሕጊ ዝጻረር ከም ዝኾነ ገሊጹ። ቐጠር'ውን ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝኾነ ሰብ ብሞት ከይቀጽዐት ድሕሪ ምጽናጽ ብቅትለት ዝተኸሰሰ ኔፓላዊ ኣብ ወርሒ ግንቦት ብሞት ከም ዝቀጽዓቶ ተፈሊጡ ኣሎ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56827001"} {"headline":"ሱዳን ኣብ ድሮ ኣኼባ ሊግ ሃገራት ዓረብ ዘምጽኣቶ ሓዲሽ ሓሳብ መርገጺኣ ከምዘቐየረት ዘርኢ ድዩ?","content":"ኢትዮጵየ ካልኣይ ገጽ ምምላእ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ንምክያድ ኣብ ትሸባሸበሉ ዘላ ግዜ፡ ኣብ ገለ ኩነታት ምትዕርራይ እንተተገይሩ ኣብቲ ግዜያዊ ስምምዓት ንምፍራም ድልውቲ ከምዘላ ሱዳን ገሊጻ። ሱዳንን ግብጽን ንሰለስቲኤን ሃገራት [ግብጺ፤ ሱዳንን ኢትዮጵያን] ዘማእከለ ቀያዲ ስምምዕ ከይተኸተመ ኢትዮጵያ ካልኣይ ገጽ ምምላእ እቲ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ከይተካየድ ተሪር መርገጺ እየን ሒዘን ጸኒሐን፡ ሱዳን ሕጂ ዝሃበቶ መግለጺ ግን መርገጺኣ ከምዝቀየረት ዘርኢ እዩ ተባሂሉ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ሚኒስተር መስኖ ሱዳን ፕሮፌሰር ያሲር ዓባስ ብሰኑይ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሱዳን ነቲ ግዝያዊ ስምምዕ ንኽትፍርም ሰለስተ ቅድመ ኩነት ኣቕሪባ ከምዘላ ንሮይተርስ ገሊጹ። ብመሰረት እቲ ሚኒስተር ዝሃቦ መግለጺ፤ እቶም ሱዳን ንዘተ ኣቕሪባቶም ዘላ ቅድመ ኩነት፡ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሓምለ ካልኣይ ገጽ ምምላእ እቲ ግድብ ምስ ኣካየደት ነቲ ዘተ ክቅጽል ቃል እንተኣትያን እቲ ዘተ ከምዝካየድ መረጋገጺ ሰነድ እንተኣቕሪባን ከምኡ’ውን ነቶም ቅድሚ ሕጂ ዘተ ተካይድሎም ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሑ ክልተ ነጥብታት ክታማ እንተኣንቢራትሉ ዝብል ክልተ ነጥብታት ኮይኑ እቲ ሳልሳይ ኸኣ ድሕሪ ካልኣይ ገጽ ምምላእ እቲ ዲጋ እቲ ዘተ መዓስ ከምዝካየድ መዓልቲ ክውሰን ዝብል እዩ። ሱዳንን ግብጽን ኣቐድም ኣቢለን ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገብርኦ ዝነበራ ስሉሳዊ ዘተ፡ ኣብ ምምላእን ኣጠቃቅማ እቲ ግድብን ቀያዱ ዝኾነ ስምምዕ ክኽተም ኣብ ዝብል ነጥቢ ተሪር መርገጺ’የን ሒዘን ጸኒሐን: እዚ ኸኣ ናብ ሓደ ሓባራዊ ስምምዕ ከይብጻሕ ዓንቃጺ ነጥቢ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ሰለስቲኤን ሃገራት ክገብርኦ ኣብ ዝጸንሓ ተደጋጋሚ ዘተታት ኣብ ሓያለ ነጥብታት ክሰማማዕ እኳ እንተከኣላ ኣብ ሓደ ዛዛሚ ስምምዕ ክበጽሓ ኣይክኣላን። እዚ ሕጂ ሱዳን ብመንገዲ ሚኒስተር መስኖኣ ዝሃበቶ መግለጺ ግን ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ሒዛቶ ዝጸንሐት መርገጺ ዝተፈለየ ምዃኑ እዩ ሮይተርስ ዝሕብር። ኢትዮጵያ: ሱዳንን ግብጽን ኣብቲ ካብ ዝጅመር ዓሰርተ ዓመታት ዘቁጸረ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ነፍሲ ወከፍን ጥቕመን ከይጎድለን ንምክልኻል ተሪር ዝኾነ መርገጺታት ሒዘን ብምህላወን ኣብ ሓደ ንኹለን ዘማእክል ሓባራዊ ስምምዕ ክበጽሓ ኣይክኣላን ዘለዋ። እቲ ኣብ ስምምዕ ዘይምብጽሓን ናብ ሓደ ሓርፋፍ ናይ ቃላት ምምልላስ ስለዘምርሐን ኸኣ ናብ ኵናት ከየምርሓ ብዙሓት ስግኣቶም ይገልጹ’ዮም። ሚኒስተር መስኖ ሱዳን ፕሮፌሰር ያሲር ዓባስ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ሱዳን ወተሃደራዊ ሓይሊ ከም ኣማራጺ ርእያቶ ከምዘይትፈልጥ ንማዕከን ዜና ሱና ገሊጹ። ሱዳን ከም ቀንዲ መፍትሒ ኢላ ሒዛቶ ዘላ ሕጋውን ፖሎቲካውን መስመራት ምዃኑ’ውን እቲ ሚኒስተር ጠቂሱ። ሱዳን ብመገዲ ቤት ምኽሪ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፤ ፈተውቲ ሃገራትን ብካልእ ግዱሳትን ዝቐርብ ሓሳባት ዓቢ ኣቶኵሮ ከምእትህቦ እያ ትገልጽ። ብኣንጻሩ ኣብ ኣኼባ ሊግ ሃገራት ዓረብ ንምስታፍ ኣብ ቐጠር ዝርከብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳሚ ሽኩሪ ንኣልጀዚራ ኣብ ዝሃቦ ቃል ግብጺ ኣብ ጉዳይ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ረብሓኣ ንክትሕሉ ኩሉ ኣማራጺታት ንኽትጥቐም መዓጹ ርሑው ምህላዉ’ዩ ገሊጹ። ኣብ ኣኼባ ሊግ ሃገራት ዓረብ ጉዳይ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ከም ሓደ ኣጀንዳ ተወሲዱ ክዝተየሉ ምዃኑ ዝገለጸ ሚኒስተር ሳሚ “ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ እዚ ሊግ ናብ ኢትዮጵያ ተሪር መልእኽቲ ከመሓላልፉ’ዮም” ኢሉ። እዚ ሎሚ ዝካየድ ኣኼባ ሊግ ሃገራት ዓረብ፡ ጉዳይ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ዘተ ክካየደሉ ግብጽን ሱዳንን እየን ሕቶ ኣቕሪበን፡ እቲ ቀንዲ ዕላማ ኸኣ ሃገራት ዓረብ ኣብ ጎነን ደው ንኽብላ ኢለን እየን ተባሂሉ እዩ ዝእመን። ሚኒስተር መስኖ ሱዳን ፕሮፌሰር ያሲር ዓባስ፡ ሃገራት ሊግ ዓረብ ብዛዕባ እቲ ግድብ ንኽዛተያ ምዕዳም፡ እተን ኣባላት እቲ ሊግ ናይ ሱዳን መርገጺ ንኽርድኣኦ ተባሂሉ ከምዝኾነ ገሊጹ። ብምስዓብ፡ ሱዳን ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘለዋ እምነት ከምዘይተቀየረ ብምግላጽ፡ እንተኾነ ሕብረት ኣፍሪቃ ንበይኑ መፍትሒ ከምጽእ ስለዘይክእል ካልኦት ኣካላት ንኽሳተፍዎ ንምዕዳም እዩ ኢሉ። ሱዳንን ግብጽን ኣብቲ ዘተ ካልኦት ኣካላት ክሳተፉ ብተደጋጋሚ እኳ ክጽውዓ እንተጸንሓ፡ ኢትዮጵያ ግን እቲ ጉዳይ ብሕብረት ኣፍሪቃ መፍትሒ ንኽረክብ ተሪር መርገጺ ሒዛ ይርከብ። ሱዳን ነቲ ኢትዮጵያ ወጢናቶ ዘላ ካልኣይ ገጽ ምምላእ እቲ ግድብ ኣብ ዝምልከት ቅድመ ኩነት ብምቅማጥ ልእም ዝበለ መርገጺ እኳ እንተኣርኣየት ግብጺ ግን ዝኾነ ዝሃበቶ ርእይቶ የለን። ሕብረት ኣፍሪቃን ኣመሪካን ኣብ ዝተፈለላየ ግዜ ሰለስቲኤን ሃገራት ኣብ ሓደ ሓባራዊ ስምምዕ ክበጽሓ ተደጋጋሚ ጻዕሪ እኳ ከካይዳ እንተጸንሓ ሰለስቲኤ ሃገራት ግን ኣብ ሓደ ደምዳሚ ስምምዕ ክበጽሓ ኣይክኣላን ዘለዋ። ግብጽን ሱዳንን ዓቢ ግድብ ህዳሰ ንመጠን ማየን ከየጉድሎ እዩ ስግኣት ዘለወን። ኢትዮጵያ ብወገና ካብቲ ግድብ ንልዕሊ 65 ሚልዮን ካብ ዜጋታታ ቀረብ ኤለትሪክ ከተመንጭወሉ ምዃናን ኣብቲ ናብ ግብጽን ሱዳንን ዝፈስስ ማይ ዝኾነ ጽልዋ ከምዘይህልዎ እያ ትማጎት። እቲ ብልዕሊ ዓሰርተ ቢልዮን ዶላር ዝህነጽ ዘሎን ካብ ዝጅመር ዓሰርተ ዓመት ዝገበረ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ምስ ተዛዘመ ካብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ሓጽቢ ከምዝኸውንን፡ ልዕሊ ሓሙሽት ሽሕ ሜጋዋት ሓይሊ ኤለትሪክ ናይ ምምንጫው ዓቕሚ ከምዝህልዎን እዩ ተገሊጹ ዘሎ። ቀዳማይ ገጽ ምምላእ ማይ እቲ ሓጽቢ ቅድሚ ዓመት እዩ ተኻይዱ፡ ካልኣይ ዘር ኸኣ ኣብ ወርሒ ሓምለ ከምዝካየድ ኢትዮጵያ ገሊጻ ኣላ። እቲ ሓጽቢ ካብ ዝመጽእ ዓመት ጀሚሩ ብኸፊል ምምንጫው ጽዓት ከምዝጅመር’ውን ኢትዮጵያ ገሊጻ ኣላ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57483331"} {"headline":"ግድብ ህዳሰ: ኢትዮጵያ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ክካየድ ሓሳብ ኣቕሪባ","content":"ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዝካየድ ድርድር ክቕጽል ንምግባር መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ንጉባኤ ምጽዋዕ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጻ። እታ ሃገር ነዚ ዝበለት: ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ መራሒ ሱዳን ንዝተለኣኸሉ ደብዳበ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ምዃኑ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ። በዚ መሰረት ኣብ ዝቕጽል ዝሳለጥ መስርሕ ድርድር ንምክያድ: እቲ ሕዚ ኣብ ሓላፍነት ዘሎ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ (ፕረዚደንት ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ) ፌሊክስ ቺሰኬዲ ነቶም መራሕቲ ንኣኼባ ክጽውዖም ምሕታት ኣገዳሲ ከምዝኾነ እቲ ሚንስትሪ ሓቢሩ። ብዛዕባ እቲ ጉባኤ . . . ጉባኤ ርእሰ ብሄራትን መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ሕበረት ዝለዓለ ደረጃ ስልጣን ዘለዎ ኮይኑ፤ ፖሊሲታት እቲ ሕብረት የጽድቕ፣ ቀዳምነት ዝወሃቦም ኣጀንዳታት የነጽር፣ ዓመታዊ ትልሚ የውጽእን ኣፈጻጽማ ይከታተልን። ብተወሳኺ ድማ ንጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ኮሚሽን ሕበረት ኣፍሪቃን ዝመርሑ ኣቦ\/ኣዶ መንበራት ከምኡ’ውን ኣቦ\/ኣዶ መንበራት ይመርጽ፤ ሓደሽቲ ኣባል ሃገራት ናብቲ ሕብረት የእቱን ኣብ ቀንዲ ጉዳያት እቲ ሕብረት ውሳነ ይህብን። እቲ ጉባኤ ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ ኣብ ወርሒ ሓምለ\/ነሓሰ ዝካይድ’ኳ እንተኾነ: ዝኾነት ኣባል ሃገር ሕቶ እንተኣቕሪባን እቲ ሕቶ እንተጸዲቑን ግን ህጹጽ ኣኼባ ክጽውዕ ይኽእል። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ እንታይ’ዩ ኢሉ? ቅድሚ ሰሙን ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ደብዳበ ዝተልኣኾ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንዝበጽሖ መልእኽቲ ምላሽ ሂቡ ነይሩ። ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዝተኻየደ ዝርርብ ዕውት ከምዘይኮነ ምሕሳብ ልክዕ ከምዘይኮነ ኣብቲ ዝሃቦ ምላሽ ዝሓበረ ኣብይ፡ ስምምዕ መትከላት ምፍራምን ዘይሻራዊ ጉጅለ ኪኢላታት ምጥያሽን ውጽኢት ናይቲ ዝተኻየደ ድርድር ከምዝኾነ ኣመልኪቱ። ብዛዕባ’ቲ ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ከተማ ኪንሻሳ ዝተኻየደን ብዘይምርድዳእ ዝተዛዘመን ዘተ’ውን ኣብ ደብዳቤኡ ጠቒሱ’ሎ። ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዝካየድ ስሉሳዊ ድርድር ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ንክቕጽል ጽኑዕ ድልየት ከምዘለዋ ወሲኹ ገሊጹ። ሕብረት ኣውሮጳ፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ኣሜሪካን ብተዓዛብነት ጥራይ ክቕጽሉ ከምኡ’ውን ኣቦ መንበር ሕብረት ናይ ምትሕብባር ሓላፍነቱ ብግቡእ ክፍጽም ኣገዳሲ ምዃኑን ደብዳበ እቲ ቀዳማይ ሚንስተር የመልክት። እቲ ግድብ! ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት ህንጸቱ ክዛዘም ትልሚ ተታሒዙሉ ዝተጀመረ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ከይተዛዘመ ናብ ዓሰርተ ዓመት ይኸይይድ ኣሎ። ህንጸቱ ምስተዛዘመ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ግድብ ከምዝኸውን ዝዝረበሉ ህዳሰ: ኣብዚ እዋን 80 ሚኢታዊት ስራሕቱ ከምዝተወገነን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ሓይሊ ከመንጩ ትጽቢት ከምዘሎን ይግለጽ። ልዕሊ 5 ሺሕ ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤለክትሪክ\/ጸዓት ከመንጩ ትጽቢት ዝግበረሉ ግድብ ህዳሰ ህንጸቱ ተዛዚሙ ናብ ኣገልግሎት ኣብ ዝኣትወሉ እዋን: ንልዕሊ ፍርቂ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ንኢንዳስትሪታትን ጎረባብቲ ሃገራትን ሓይሊ ከቕርብ ከምዝኽእል ይዝረበሉ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56835492"} {"headline":"ግድብ ህዳሰ፡ ግብጺ ምስ ኣየኖት ሃገራት'ያ ወተሃደራዊ ስምምዕ ፈሪማ?","content":"ኢትዮጵያ ትሃንጾ ብዘላ ገዚፍ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝኾነ ግድብ ህዳሰ ካብ ሩባ ኣባይ ዝረኽቦ ዓቐን ክንክዮ'ዩ ዝብል ስግኣት ክትገልጽ ዝጸንሐት ግብጺ ሃገራዊ ረብሕኣ ንምሕላው ዝተፈላለየ ጻዕሪ ትገብር ምህላዋ ትገልጽ። ኣብዚ ጉዳይ ንዓመታት ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርብ ኣብ ስምምዕ ከይተበጽሐን ከይተወድአን ከኣ ኢትዮጵያ ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ክትጅምር ትሸባሸብ ኣላ። ይኹን'ምበር፡ ግብጺ ምስ ሃገራት ታሕተዎት ተፋሰስ ሩባ ኣባይ ብምዃን ዝተፈላለዩ ጻዕርታት ክትገብር ጸኒሓ ኣላ። ካብዚ ብዝብገስ ግብጺ ኣብ ጥቓ ኢትዮጵያ ምስ ዝርከባ ሃገራትን ምስ ሃገራት ተፋሰስ ሩባ ኣባይን ብዝተፈላለየ መልክዑ ዘለዋ ምትሕብባር ንምጥንኻር ሓደሽቲ ስምምዓት ዝገብሩ ላዕለዎት ሰብ መዚ እታ ሃገር ዝመርሑዎም ጉጅለታት ክትልእኽ ቐንያ። ግብጺ ምስዘን ሃገራት ካብ ሞንጎ ዝገበረቶም ስምምዓት ወተሃደራዊ ምትሕብባር ዝብል ይጥቀስ። በዚ ብፍላይ ምስ ሃገራት ተፋሰስ ብዝተፈለየ ደረጃ ዝግለጽ ወተሃደራዊ ስምምዓት ገይራ ኣላ። ምስ በዓል መን? ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣዛዚ ሰራዊት ግብጺ ሌፍተናንት ጀነራል መሓመድ ፋሪድ ናብ ሱዳን ብምኻድ ምስ ሱዳን ወተሃደራዊ ስምምዕ ፈሪሙ'ዩ። ግብጺ \"ምስ ሱዳን ኣብ ኩሎም መዳያት ብፍላይ ወተሃደራውን ጉዳያት ድሕነትን ዘለዋ ርክብ ክጠናኸር ከም እትደሊ\" ብምግላጽ ክልቲአን ሃገራት ሓበራዊ ጸገማትን ስግኣት ሃገራዊ ድሕነትን ከም ዝገጥመን ገሊጹ ነይሩ። ብተወሳኺ ምስ ሱዳን ኣብ ወተሃደራዊ ጉዳያት ብዝተኣሳሰር ዝለዓሉ ሕቶታት ንምምላእ ግብጺ ድልውቲ ምዃና ብምግላጽ እቲ ወተሃደራዊ ምትሕብባር 'ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ' ክብል ገሊጹዎ። ሱዳናዊ መዘንኡ ሌፍተናንት ጀነራል መሓመድ ኦትማን ኣል ሑሴን ብወገኑ \"ዕላማ እቲ ወተሃደራዊ ስምምዕ ድሕነት ክልቲአን ሃገራት ንምኽባርን ብልምድን ፍልጠትን ዝተሃነጸ ሓይሊ ምህናጽን'ዩ\" ብምባል ግብጺ ኣብ ፈታኒ እዋናት ኣብ ጎኒ ሱዳን ምዃና ኣመስጊኑ። ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቀረባ \"ኣሞራ ኣባይ 1\"ን \"ኣሞራ ኣባይ 2\"ን ዝተባህሉ ሓበራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ኣካይደን እየን። ኣብዚ ሰሙን'ውን ናይ ሽዱሽተ መዓልታት ወተሃደራዊ ልምምደ ኣካይደን ከም ዝወድኣ ማዕከናት ዜና ጸብጺበን። ኬንያ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት'ያ ምስ ግብጺ ወተሃደራዊ ስምምዕ ፈሪማ። ሚኒስትሪ ምክልኻል ኬንያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሚኒስትር ሞኒካ ጁማን ኣዛዚ ሰራዊት ግብጺ ሌፍተናንት ጀነራል መሓመድ ፋሪድ ሄጋዚን እቲ ስምምዕ ከም ዝፈረሙዎ ሓቢሩ። \"ክልቲኦም ሰብ መዚ ኣብ ዘካየዱዎ ዘተ እተን ሃገራት ኣብ ሓበራዊ ጉዳያት ዘለወን ምሕዝነት ንምዕባይ ዘኽእል ስምምዕ ቴክኒክ ምክልኻል ተፈራሪመን\" ይብል። ይኹን'ምበር ዝርዝር እዚ ስምምዕ ዝሓዞም ጉዳያት ብወግዒ ኣይጠቐሰን። ግብጽን ኬንያን እዚ ክልትኣዊ ስምምዕ ምስ ፈረማ ናብ ጅቡቲ ምብጻሕ ዝገበረ ፕሬዝደንት ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ፡ ጅቡቲ ነጻነታ ምስ ኣወጀት ናብታ ሃገር ምብጻሕ ዝገበረ ፈላሚ ፕሬዝደንት ግብጺ ኮይኑ። ኣልሲሲን መዘንኡ ፕሬዝደንት እስማዒል ኦማር ጉሌሕን ኣብ ዙርያ ግድብ ሕዳሰ ክህሉ ዝግብኦ ርግኣት ንምሕላውን ረብሓ ክልቲአን ሃገራት ንምሕላውን ዘኽእል ፍትሓዊ ስምምዕ ክብጻሕ ከም ዝደልዩ ዘትዮም። ፕሬዝደንት ኣልሲሲ \"ሃናጻን ውጽኢታውን\" ዘተ ከም ዝነበሮ ብምግላጽ ክልቲኦም መራሕቲ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ወተሃደራውን ምትሕብባር ንምምሕያሽ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ከም ዝተዛተዩ ኣብሪሁ ነይሩ። ብተወሳኺ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከጋጥም ዝኽእል ግብረ ሽበራዊ ሓደጋታት ብሓባር ንምቅላስ \"ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት\" ክህልወን ትኹረት ከም ዝገብርሉ ክግለጽ እንከሎ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ነፈርቲ ውግእ ግብጺ ልዑል ቑጽሪ ዘለዎ ሕክምናዊ ረድኤት ሒዘን ናብ ጅቡቲ ከም ዝኸዳ ተገሊጹ። ጅቡቲ፡ ኣካል ሃገራት ተፋሰስ ሩባ ኣባይ እንተዘይኮነት'ውን ኣታውን ወጻእን ንግዲ ኢትዮጵያ ዝሳለጠላ ኣውራ ሃገር ከም ዝኾነት ይፍለጥ። ግብጺ ምስ ሃገራት ተፋሰስ ሩባ ናይል ወተሃደራዊ ስምምዕ ክትገብር እንከላ ምስ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ከኣ ኣብ ኢንቨስትመንት ዝጠመተ ስምምዕ ፈሪማ። ፕሬዝደንት ኮንጎ ፌሊክስ ትሺከዲ ብ2 ለካቲት 2013 ናብ ግብጺ ኣብ ዝነበሮ ምብጻሕ መንግስታት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ትሕተ ቕርጺ፣ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ዝስተ ማይን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ስምምዕ ፈሪሞም። መንግስቲ ኮንጎ ኣብ ማእከላይ ኮንጎ ግዝኣት ሳንቡሩ ሩባ ሉቢ ንዝስተ ማይ ዝውዕል ሓጽቢ ንምህናጽ ምስ ኩባኒያታት ግብጺ ስምምዕ ፈሪሙ። ኣዛዚ ሰራዊት ሌፍተንናት ጀነራል መሓመድ ፋሪድ ካብ 27 ክሳብ 29 ግንቦት 2021 ኣብ ሩዋንዳ ምብጻሕ ነይሩዎ። ድሕሪ'ዚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ምስ ኣዛዚ ሰራዊት ሩዋንዳ ጀነራል ጄን ቦኮ ካዙራ ክልትኣዊ ዘተ ከም ዘካየደ ሓቢሩ። ቅድም ክብል ዝነበሩ ወተሃደራዊ ምትሕብባራት ንምጥንኻር ዝዓለመ ምዃኑ ተገሊጹ እዩ። ክልቲአን ሃገራት ዝምድንአን ንምጥንኻር ኣብ ቑጠባን ንግድን ከምኡ'ውን ምክልኻልን ድሕነትን ብሓባር ክሰርሓ ጸኒሐን'የን። ብተወሳኺ ሩዋንዳ ቅድም ኢሉ ዜጋታታ ወተሃደራዊ ትምህርቲ ንክረኽቡ ናብ ግብጺ ትልእኽ ነይራ። ኣዘዝቲ ሰራዊት ብሩንድን ግብጽን ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ካይሮ ተራኺቦም ወተሃደራዊ ስልጠናን ሓበራዊ ልምምድን ዘካተተ ወተሃደራዊ ስምምዕ ፈሪሞም ነይሮም። እቲ ስምምዕ፡ ክሳብ ሰብ ሞያ ምልውዋጥ ዝበጽሕ ከም ዝኾነ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ክልቲአን ሃገራት ሓበራዊ ምርድዳእ ዝፈጥር'ዩ ተባሂሉ። ክልቲአን ሃገራት ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ወተሃዳረዊ ጉዳያት ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ዘትየን። ሚኒሰረትሪ ምክልኻልን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ታንዛኒያ ሑሴን ምዊኒ ሃገሩ ምስ ግብጺ ዘለዋ ኩለ መዳያዊ ርክባት ክጠናኸር ከም እትደሊ ብምግላጽ ብፍላይ ጸረ ሽብር ዝገብሮ ምትሕብባር ክዓቢ ከም ዝደሊ ተዛሪቡ ነይሩ። ብተወሳኺ ታንዛኒያ ወተሃደራዊ ኩባኒያታት ከምኡ'ውን ቴክኖሎጅን ዓቕሚ ሰብን ግብጺ ንምጥቃም ድሌት ከም ዘለዋ ተዛሪቡ። ፕሬዝደንት ኣል ሲሲ ብወገኑ ምስ ታንዛንያ ዝተገብረ ወተሃደራዊ ስምምዕ ብሓጎስ ከም ዝተቐበሎ ኣብቲ እዋን ገሊጹ። ግብጽን ኡጋንዳን ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣብ ዙርያ ምልውዋጥ ወተሃደራዊ ሓበሬታ ዘተኮረ ክልትኣዊ ስምምዕ ፈሪመን። እዚ ሓላፊ ድሕነት ኡጋንዳ ኣቤልካንዲሆን ጀነራል ድሕነት ግብጺ ሳሜን ሳበር ኤል ደግዊን ዝፈረሙዎ ስምምዕ ክልተአን ሃገራት \"ግብረ-ሽበራ ምቅላስ\" ዝብል ሓዊሱ ወተሃደራዊ ሓበሬታ ክለዋወጣ ዝፈቅድ እዩ። ኣብቲ እዋን ሳሜህ ሳበር፡ \"ኡጋንዳን ግብጽን ሩባ ኣባይ ዝማቐላ ስለ ዝኾና ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ስምምዕ ኣገዳሲ'ዩ፤ ምኽንያቱ ንኡጋንዳውያን ዝትንክፍ ብተዘዋዋሪ ንግብጺ ስለ ዘርክበላ\" ኢሉ ነይሩ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57340425"} {"headline":"ሚስጢር ጥንታውያን ግብጺ ተፈሊጡ","content":"ታሪኽ ጥንታውያን መራሕቲ ግብጺ ፈርኦናት ኣብ ዝተፈላለዩ መናድቕ ተቐሪጹ ስለዝርከብ ንኽትፈልጦ ኣጸጋሚ ኣይኮነን። ናይቶም ተራ ጥንታውያን ግብጺ ግን ዝፍለጥ ነገር ኣይነበረን። እንተ ሎሚ ሎሚ ግና ኣብ ፓፒረስ ዝተጻሓፉ ሰነዳት ስለዝተረኽቡ ብዛዕብኦም ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ኣይኮነን።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-42631571"} {"headline":"ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ፕረዚደንት ኣብዱል ፋታሕ ኣልሲሲን ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ተዘራሪቦም","content":"ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ፕረዚደንት ግብጺ ኣብዱል ፋታሕ ኣልሲሲን ብሰኑይ ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ምዝርራቦም ተገሊጹ። እቶም ፕረዚደንታት ኣብቲ ብስልኪ ዝገበርዎ ዝርርብ፡ ብዛዕባ እቲ ግብጺ ኣብ ቃዛ ስምምዕ ንምምጻዕ ዝገበረቶ ጻዕሪ ዘትዮም። መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ \"ፕረዚደንት ባይደን፡ ግብጺ ኣብ ጉዳይ ብጽሒት ማይ ኣባይ (ኒል) ዘለዋ ሻቕሎት ከም ዝርድኦ ምግላጹ\" ሓቢሩ። ወሲኹ ድማ፡ ፕረዚደንት ባይደን እቲ 'ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን ዘሎ ጠለባት ማይ ንምትዕራቕ፡ ኣመሪካ ኣድላይ ዘበለ ዲፕሎማስያዊ ዓቕሚ ከምእትጥቀም' ይገልጽ። ሮይተርስ ሒዝዎ ዘወጽአ ጸብጻብ ድማ፡ ክልቲኦም ፕረዚደንታት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ እቲ ጠለብ ማይን ልምዓትን ብዝምልከት፡ ንኩሎም ኣካላት ብዝጠቅም መልክዑ፡ ኣብ ሓደ መዕልቦ ንምብጻሕ ከምዝሰርሑ ተስማሚዖም ክብል ንቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ግብጺ ጠቒሱ ኣቃሊሑ። ፕረዚደንት ግብጺ ኣልሲሲ ነቲ ዘተ ኣመልኪቱ፡ ኣብ ትዊተሩ ኣብ አዝሃቦ ርእይቶ፡ \"ንክልቲአን ሃገራትን ነቲ ዞባን ኣብ ዘገድሱ ጠቐምቲ ጉዳያት ኣልዒልና ምስ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነዊሕ ሰዓታት ወሲድን ብምዝርራብና ሕጉስ እየ\" ምባሉ ማእከን ዜና ኣመሪካ ብሉምበርግ ኣስፊሩ። ኢትዮጵያ ካብ 2011 ጀሚራ፡ ኣብ ሩባ ኣባይ (ኒል) ተካይዶ ዘላ ፕሮጀክር ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኣብ ምህናጽ ትርከብ። እቲ ፕረጀክት ህንጸቱ ምስ ተዛዘመ፡ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ 'ሃይድሮ-ኤሌክትሪክ' ግድብ እዩ ክኸውን ተባሂሉ ትጽቢት ይግበረሉ። ዳርጋ ምሉእ ንምሉእ ኣብ ማይ ኣባይ እትምርኮስ ግብጺ፡ እዚ ሓድሽ ግድብ: ዋሕዚ ማይ እቲ ሩባ ከጉድሎ እዩ ዝብል ልዑል ስግኣት ኣለዋ። ሱዳንን ብወገና፡ ናይቲ ፕሮጀክት ህንጸት ኣሰራርሓን ጽፈትን ኣተኣማንነት ብዝምልከት ሻቕሎት ኣለዋ። ህንጸት እቲ ግድብ ካብ ዝጅመር ንነዘ፡ ክልቲአን ሃገራት ዝርከባሉ: ቀጻሊ ስሉሳዊ ዘተ ክካየድ ዝጸንሐ እንተኾነ'ኳ፡ ዛጊድ ፍረ ኣየፍረየን።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57218450"} {"headline":"ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንክልተ መዓልታት ናብ ሱዳን ገይሹ","content":"ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናይ ክልተ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምክያድ ሎሚ ሰዓት 11 ናይ ንግሆ ናብ ሱዳን ከምዝተበገሰ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ። ሚኒሰተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን'ውን ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣሰንይሞ ናብ ሱዳን ከይዶም ኣለዉ። ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንምንታይ ዝዓለመ'ዩ እኳ እንዘይገለጸ፡ ኤርትራ ነቲ ኣብ ሞንጎ ሱዳን ግብጽን ኢትዮጵያን ሰፊኑ ዘሎ ወጥሪ ንምፍታሕ ጻዕርታት ክትገብር ምጽናሓ ይፍለጥ፡ እዚ'ውን ከም መቐጸልታ ናቱ ክኸውን ይኽእል እዩ። ግብጺ፡ ሱዳን ኢትጵያን ብጉዳይ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪተን፡ ኢትዮጵያ ካልኣይ ገጽ ምምላእ እቲ ግድብ ንምክያድ ኣብ ትሸባሸባሉ ዘላ፡ ኣብ ሓደ ስምምዕ ከይበጽሓ ክፈላለያ ጸኒሐን እየን። ብፈላይ ሱዳንን ኢትዮጵያን በቲ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ዞባ ገዳርፍ ዝርከብ ኣልፋሽጋ ዝብሃል ልሙዕ መሬት ኣብ ብረት ምውጥዋጥ እየን ዘለዋ። ሱዳን ነቲ ናተይ እዩ ኢላ ዝኣመነትሉ ቦታታት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ምሉእ ንምሉእ ከምዝተቐጸጸረቶ ክትገልጽ እንከላ፡ ኢትዮጵያ ብወገና ሱዳን ናብቲ ቅድሚ ወርሒ ሕዳር ዝነበረቶ ቦታ እሞ ሰራዊታ ትስሓብ ጸገምና ብዘተ ንፍትሓዩ ዝብል መርገጺ እያ ሒዛ ዘላ። ብኻልእ ወገን፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፈልትማን ካብ 4 ግንቦት ክሳብ 13 ግንቦት 2021 ናብ ሃገራት ግብጺ፡ ኤርትራ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዑደት ክገብር ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፈልትማን ምስ መራሕቲ እዘን ሃገራት፡ ምስ ሕበራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ርክባት ከምዘካይድን፡ ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ወሃብቲ ረድኤት ተረኺቡ ትዕዝብቱ ከምዘስፍር ተገሚቱ ኣሎ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/56980479"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ዕጡቓት ንሓንቲ ወረዳ ከምዝተቆጻጸሩ ተሓቢሩ","content":"ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ እትርከብ ክልል ቤንሻንጉል፡ ኣብ ዞባ ካማሺ: ሴዳሌ ትብሃል ወረዳ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ከምዝተቆጻጸርዋ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ገሊጹ። እቲ ኮምሽን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ዕጡቓት ካብ ሰኑይ 11 ሚያዝያ 2013 (ኣቆጻጽራ ግእዝ) ጀሚሮም ዳርጋ ንምልእቲ ወረዳ ሴዳሌ ተቆጻጺሮማ ምህላዎም ሓቢሩ። ዞባ ካማሺ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እቲ ክልል ዝርከብ ኮይኑ እታ ዕጡቓት ተቆጻጺሮማ ትብሃል ዘላ ወረዳ ልዕሊ 25 ሽሕ ህዝቢ ከምዝነብርዋ እቲ ኮምሽን ሓቢሩ ኣሎ። እቶም ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ እታ ወረዳ መጥቃዕቲ ምስ ፈጸሙ፡ ምምሕዳር ናይታ ወረዳ፡ ፖሊስን ብዙሓት ነበርትን ካብታ ወረዳ ሃዲሞም ከምዝወጽኡ እቲ ዝወጽአ ጸብጻብ ይሕብር። እቲ ነታ ወረዳ ተቆጻጺሩ ዝርከብ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ንነበርቲ፡ ሓለፍቲ ናይታ ወረዳን ሰራሕተኛታት መንግስትን ይቐትልን ይጨውን ከምኡ'ውን ንብረት መንግስትን ህዝብን የዕኑ ከምዘሎ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ገሊጹ። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዘዘራረቦም ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ እቶም ዕጡቓት ብብዝሕን ብዓቕምን ልዕሊ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሰራዊት ናይ መንግስቲ ከምዝኾኑን፡ ናብቲ ከባቢ ተላኢኹ ኣሎ ዝተብሃለ ሓጋዚ ሰራዊት መንግስቲ'ውን ክሳብ ሕጂ ናብቲ ቦታ ከምዘይበጸሐ ሓቢሮሙኒ ኢሉ። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ: እቲ ወረዳ ኪኖ ብዕጡቓት ምትሓዙ፡ ብዛዕባ መንነት እቶም ዕጡቓት ዝበሎ ነገር የለን። እቲ ኮምሽን፡ ኣብቲ ከባቢ ዝኸፈአ ሰብኣዊ ቅልውላው ከይስዕብ መንግስቲ ቅልጡፍ ፍታሕ ከናድየሉ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ። ኣብታ ምስ ሱዳን ትዳወብ ክልል ቤንሻጉል ጉምዝ፡ መተከል፡ ካማሺን ኣሶሳን ዝብሃላ ሰለስተ ዞባታት እየን ዘለዋ። ኣብተን ዞባታት ቅድሚ ሕጂ'ውን ብዕጡቓት ክፍጸሙ ብዝጸንሑ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ብዙሓት ሰባት ንሞትን ምፍንቓልን ተቓሊዖም'ዮም። ብፍላይ ዞባ መተከል ብተደጋጋሚ መጥቓዕትታት ክፍጸማ ዝጸንሐ ዞባ ኮይና ነቲ ኣብታ ዞባ ዝፍጸም መጥቓዕትታት ንምቁጽጻር ካብ ክልል ቤንሻንጉል፡ ካብ መንግስትን ኣካላት ጸጥታን ዝተዋጽአ ፍሉይ ሓይሊ ዕማም ካብ ዝቐውም ኣዋርሕ ኮይኑ ኣሎ። ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ብ14 ታሕሳስ 2013 ዓመተ ምሕረት ኣብ ዞባ መተከል፡ ወረዳ ቡለን ቀበሌ በኩጂ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሰባት ብኣሰቃቒ ኣገባብ ከምዝተቐተሉ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ሰብ መዚ እታ ሃገርን ምግላጾም ይዝከር። እቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰባት ዝተፈጸመ ቅትለት ስዒቡ፡ ኣካላት ጸጥታ መንግስቲ ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ኣብቲ መጥቃዕቲ ኢድ ነይርዎም'ዩ ዝተብሃሉ ኣብቲ ናይቲ ክልልን ናይ ፌዴራልን መሓውር ዝርከቡ ሓለፍቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉን ካብቶም ዕጡቓት'ውን ብዙሓት ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ ነይሩ። ምምሕዳር እቲ ክልል ነቲ መጥቃዕቲ ጸረ ሰላም ዝኾኑ ሓይልታት'ዮም ፈጺመሞ ኪኖ ምባል እቶም ዕጡቓት መን'ዮም? ዕላመኦም እንታይ'ዩ? ንዝብል ሕቶታት መብርሂ ኣይሃበሉን። ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ምስ ሱዳን ዝዳወብ ልሙዕ መሬት ኮይኑ፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ግብጽን ምስሕሓብ ፈጢሩ ዘሎ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝህነጸሉ ዘሎ ክልል እዩ። ዩኒሴፍ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል 1.1 ሚልዮን ህዝቢ ከምዝነብር ገሊጹ ነይሩ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56841652"} {"headline":"ግድብ ህዳሰ፡ ኢትዮጵያ ማይ ምምላእ ቅድሚ ምጅማራ ግብጽን ሱዳንን ሰብ ሞያ ክረቑሓ ሓቲታ","content":"ኢትዮጵያ ቅድሚ ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ምጅማራ፡ ሓበሬታ ንምልውዋጥ ምእንቲ ክከኣል: ግብጽን ሱዳንን ሰብ ሞያ ክመርጻ ሚኒስተር ማይ፣ መስኖን ጸዓትን ኢትዮጵያ ሓቲቱ፡፡ ሚኒስተር ስለሺ በቀለ (ዶ\/ር፣ ኢንጂ.) ንሚኒስተራት ማይ እተን ሃገራት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ እቲ ግድብ ኣብ ዝመጽእ ክረምቲ ማይ ስለዝምላእ፡ ቅድሚ ሕዚ ብዝተበጸሐ ስምምዕ መሰረት፡ ዘድሊ ሓበሬታ ንምልውዋጥ ሰብሞያ ሓርዮም ከፍልጡ ሓቲቱ፡፡ ኢትዮጵያ፡ እተን ሃገራት ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኮንጎ ኪንሻሳ ዘካየድኦ ዘተ ብዘይ ፍረ ምስተበተነ ድሕሪ ቁሩብ መዓልቲታት እያ ነዚ ሕቶ ኣቕሪባ ዘላ፡፡ መግለጺ እታ ሃገር: ሰለስቲአን ዘይሻራዊ ብዝኾነ ብሄራዊ ጉጅለ ሳይንስ ኣቢለን ብዝተሰማመዐኦ መሰረት ብዝተቐመጠ ናይ ግዘ ሰሌዳ: ነቲ ግድብ ከምእትመልኦ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ምምላእ ማይ ኣብ ወርሒ ሓምለን ነሓሰን ከምዝካየድን ከምኣድላይነቱ ክሳብ መስከረም ክቕጽል ከምዝኽእልን ኣመልኪቱ፡፡ ከይዲ ህንጸት እቲ ግድብን ማይ ዝምለአሉ ናይ ክረምቲ ወርሓት ቀሪቡ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ኣብ ኣድላይነት ዝስርሑ ስራሕትን ሓበራዊ ጉዳያትን ዝምልከት እውን ኣብቲ ሚኒስትሪ ማይ፣ መስኖን ጻዓትን ኢትዮጵያ ዝጸሓፎ ደብዳበ ተገሊጹ እዩ፡፡ እተን ሃገራት መረዳእታ ንምልልውዋጥ ዝሕግዙ ሰብሞያ ምምራጸን፡ እቲ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ስሉሳዊ ዘተ መዕለቢ ክሳብ ዝረክብ፡ መረዳእታ ንምልውዋጥን ምትእምማን ንምፍጣርን ከምዝሕግዝ እቲ ሚኒስተር ጠቒሱ፡፡ ቅድም ክብል ግብጽን ሱዳንን፡ ኢትዮጵያ ቅድሚ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ምክያዳ ኣገዳዲ ስምምዕ ክፍርማ ከምዘለወን ዘቕረበኦ ሓሳብ፡ ኣይተቐበለቶን፡፡ ዘተ ኪንሻሳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ብዘይ ስምምዕ ምስተዛዘመ፡ ኢትዮጵያ ምምላእ፣ ምሓዝን ምስዳድን ማይ እቲ ግድብ ዝምልከት ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ድሉውቲ ከምዘኾነት እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ ነይሩ፡፡ ኮይኑ ግና ሱዳንን ግብጽን ‘‘እቲ ዘተ ናይ ኢትዮጵያ ብጽሒት ማይ ዝግድብን ኣለና ዝብልዎ ናይ ማይ ምቕሎ ዘጽንዕን ስምምዕ ክንበጽሕ ኣለና’’ ዝብል ቅዋም ብምሓዞም ኣብ ምርድዳእ ከምዘይተበጸሐ ገሊጹ፡፡ ናይቲ ካብ ዝጅመር ዓስራይ ዓመቱ ዘቑጸረ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ማይ ምምላእን ቀጸልቲ ስራሕትን ብዝምልከት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን ንዓመታት ክካየድ ዝጸንሐ ድርድር ዛጊድ ፍረ ኣየፍረየን፡፡ እቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘተ፡ ቅድም ክብል ተወከልቲ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ካርቱም፣ ካይሮን ዋሺንግተንን ተራኺቦም ከካይድዎ ዝጸንሑ ኮይኑ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ንዝተወሰነ እዋን ድሕሪ ምቁራጹ ብኢንተርነት ኣቢሉ ቀጺሉ ነይሩ፡፡ እቲ ብኣስታት ሓሙሽተ ቢልዮን ዶላር ዝህነጽ ዘሎ ግድብ ክዛዘም 20 ምኢታዊት ዝተረፎ ኮይኑ፡ ምስተወደአ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክኸውን እዩ ተባሂሉ፡፡ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ስራሕ ምስኣተወ 5 ሽሕ ሜጋ ዋት ኤሌክትሪክ ዘፈልፍል ግድብ ህዳሰ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፈላማይ ዙር ምምላእ ማይ ኣካይዱ እዩ፡፡ ሃገራት ግብጽን ሱዳንን ህንጸት እቲ ግድብ ኣብ ብጽሒት ማየን ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዝፈጥር ብተደጋጋሚ እናገለጻ ጸኒሐን እየን፡፡ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብዱል ፈታሕ ኣልሲሲ እውን በዚ ምኽንያት ‘‘ዝኸፈአ ከባብያዊ ጸገም’’ ክፍጠር ይኽእል እዩ ዝብል መጠንቀቕታ ምሃቡ ዝዝከር፡፡ ንሱ፡ ‘‘ማንም ካብ ግብጺ ንጣብ ማይ ክወስድ ኣይኽእልን፤ እዚ ምስዝኸውን ድማ ኣብቲ ከባቢ ሓደገኛ ኩነታት ክፍጠር እዩ’’ ኢሉ ነይሩ፡፡","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56702835"} {"headline":"ሱዳን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ 'ሓጋዚ ካብ ዘይኮነ ዘመተታት ክትቁጠብ' ኢትዮጵያ ጸዊዓ","content":"ሱዳን፡ ብዛዕባ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኣብ ዝግበር ዘተታት \"ሓጋዚ ካብ ዘይኮነ ዘመተታት ክትቁጠብ\" ኢትዮጵያ ጸዊዓ። ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ግብጽን፡ በቲ ኢትዮጵያ ነቲ ንምዝዛሙ ቅሩብ ዝተረፎ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ካልኣይ ግዜ ንኽትመልእ ዘውጽኣቶ ውጥን ኣብ ሓደ ስምምዕ ክበጽሓ ስለዘይከኣላ ኣብ ምትህልላኽ እየን ዘለዋ። እቲ ኢትዮጵያ ትሃንጾ ዘላ ዓቢ ግድብ ህዳሰ፡ ኣብቲ ናብ ፈለግ ኒል ዝኣቱ መስመር ስለዝተሃንጸ፡ ሱዳንን ግብጽን ቀንዲ ምንጪ ጽሩይ ማየን ዝኾነ ኒል መጠን ማዩ ከየጉድሎ ዓቢ ስግኣት ከምዘለወን'የን ዝገልጻ። ብቀዳም፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ እዋን መግዛእቲ ንኣተሓሓዝ ማይ ኒል ኣምልኪቱ ዝተበጽሐ ስምምዓት ትጥሕሶ ኣላ ብምባል ነቒፋ ነይራ። ኢትዮጵያ፡ ንነቀፉታ ሱዳን ብሰሉስ መልሲ ኣብ ዝሃበትሉ፡ እቲ ኣብ እዋን መግዛእቲ ዝተኸተመ ውዕላት \"እንኮ ዕላምኡ\" እተን ቀንዲ ምንጪ ኒል ዝኾና ሃገራት ምዕሩይ ብዝኾነ ኣገባብ ካብቲ ማይ ከይጥቐማ ዓጊቱ ዝሕዝ ማሕለኻ እዩ ኢሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝመጽእ 50 መዓልታት ኣቢሉ ስሩዕ ክረምቲ ክጅምር እዩ። ኢትዮጰያ ከኣ ኣብ እዋን ክረምቲ ካልኣይ ገጽ ምምላእ እቲ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ከምእተኻይድ እያ ትሕብር ዘላ። ክሳብ ሕጀ ኣብ ሞንጎ ሰለስቲኤን ሃገራት [ኢትዮጵያ፤ ሱዳንን ግብጽን] ክግብር ዝጸንሐ ዘተታት ዝኾነ ፍረ ስለዘይተረኸቦ፡ ንኣመላልኣ እቲ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪተን ኣብ ሓደ ስምምዕ ከይብጽሓ ኢትዮጵያ ምምላእ ከይትጅምር'ሞ ናብ ዝኸፈአ ምስሕሓብ ከይኣትዋ ስግኣት ኣሎ። ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቀዳማይ ገጽ ምምላእ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኣብ ዘካየደትሉ'ውን ሱዳንን ግብጽን በቲ ሓሳብ ናይ ኢትዮጵያ ኣይተሰማማዓን ነይረን። ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ኣብ ዘተ ሰለስቲኤን ሃገራት ዳርጋ ሰማዒት ጥራይ ኮይና እያ ትኸይድ ነይራ። ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ግን ምስ መርገጺ ናይ ግብጺ ብምስምማዕ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኣብ ሱዳን ከምጽኦ ዝኽእል ጸገማት ኣብ ምጉስጓስ እያ ትርከብ። ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ምብራቃዊ ዞባ ገዳርፍ ዝርከብ ኣልፋሽጋ ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ቦታ'ውን ናብ ቅሉዕ ብረት ምውጥዋጥ'የን ኣትየን ዘለዋ። ሱዳን፡ ነቲ ናተይ እዩ ኢላ ዝኣመነትሉ ቦታታት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ምሉእ ንምሉእ ከምዝተቐጸጸረቶ ክትገልጽ እንከላ፡ ኢትዮጵያ ብወገና ሱዳን ናብቲ ቅድሚ ወርሒ ሕዳር ዝነበረቶ ቦታ እሞ ሰራዊታ ትስሓብ ጸገምና ብዘተ ንፍትሓዩ ዝብል መርገጺ እያ ሒዛ ዘላ። እቲ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዶባተን ዝተፋነነኦ ዘለዋ፡ ኣብቲ ብዛዕባ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ዝግብር ዘተ ኣሉታዊ ጽልዋ ከሕድር ከምዝክእል ኸኣ ብኣግኡ ተገሚቱ'ዩ ዘሎ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/56991065"} {"headline":"ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ: ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ንመራሕቲ ኣፍሪቃ የዘራርብ ኣሎ","content":"ሚኒስትር ጉዳያት ወጸኢ ግብጺ ሳሜህ ሽኩሪ፡ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ብምኻድ ምስ መራሕቲ ይዘራረብ ኣሎ። ሳሜህ ሽኩሪ ኢትዮጵያ ትሃንጾ ምስ ዘላ ግድብ ሕደሰ ብዝተኣሳሰር መርገጺ ሃገሩ ንምፍላጥን መልእኽቲ ፕሬዝደንት ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ንምብጻሕን ኣብ ሽዱሽተ ሃገራት ዑደት የካይድ ኣሎ። ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ብዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ሚኒስተር ክሳብ ሕጂ ናብ ኬንያ፣ ኮሞሮስን ደቡብ ኣፍሪቃን ከም ዝበጽሐን ኣብ ቀጻሊ ናብ ሰኔጋል፣ ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎን ቱኒዝያን ብምኻድ ምስ መራሕቲ እተን ሃገራት ከም ዝዘራረብ ገሊጹ። ሳሜህ ሽኩሪ መጀመርታ ናብ ተለዋጢት ኣባል ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነት ኬንያ ክበጽሕ እንከሎ፡ ምስ ፕሬዝደንት እታ ሃገር ኡሁሩ ኬንያታ ተራኺቡ'ዩ። ክልቲኦም መራሕቲ ክልትኣዊ ረብሓ ኣብ ዘረጋግጻሉ ሃብቲ ተፈጥሮ ንክሰርሓ ከም ዝተዘራረቡ'ውን እቲ ወሃቢ ቃል ሓቢሩ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሃገሩ፡ ኬንያ ከም ሓንቲ ተለዋጢት ኣባል ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሞንጎ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ጸገም እንተጋጥም ናይ ምፍታሕ ዓቕሚ ኣለዋ ኢላ ከም እትኣምን ምግላጹ ቤተ መንግስቲ ኡሁሩ ኬንያታ ብትዊተር ገሊጹ። ካብ ኬንያ ናብ ኮሞሮስ ብምኻድ ምስ ፕሬዝደንት ኣዛሊ ኣሱማኒ ብምርኻብ ካብ ፕሬዝደንት ኣልሲሲ ዝተላእኸ ደብደበ ከም ዘብጽሐ ክጠቅስ እንከሎ፡ እቲ ሚኒስተር ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምኻድ ተመሳሳሊ ልኡኽ ከም ዘፈጸመ መግለጺ እቲ ወሃቢ ቃል የረድእ። እቲ ሚኒስተር ምስ ፕሬዝደንት ስሪል ራማፎሳ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት ህንጸት ግድብ ሕዳሰ ዝርከበሉ ኩነታትን መርገጺ ግብጽን ዝምልከት ተዛትዮም። እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ እቲ ግድብ ዝግበር ስሉሳዊ ዘተ ዝምልከት ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ደብዳበ ጽሒፋ። እቲ ሕብረት፡ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ዙርያ ምምላእን ምፍናውን ማይ እቲ ግድብ ዝምልከት ናብቲ ዘተ ንክምለሳን ግደ ደቡብ ኣፍሪቃ ከኽብራን ጸቕጢ ክገብር ሓቲታ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/56815943"} {"headline":"ሱዳን ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ጸገማት ንምፍታሕ ህጹጽ ኣኼባ ምጽዋዓ ተገሊጹ","content":"ሱዳን ብሰንኪ እቲ ኢትዮጵያ ትሃንጾን ካልኣይ ገጽ ማይ ንምምላእ ትሸባሸበሉ ዘላን ዓቢ ግድብ ህዳሰ: ምስ ኢትዮጵያ ኣጋጢምዋ ዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ ህጹጽ ኣኼባ ከምዝጸወዐት ማዕከን ዜና ሱና ኣቃሊሓ። ብመንግስቲ እትውነን ማዕከን ዜና ሱና \"ቀዳማይ ሚኒሰተር ዓብደላ ሓምዶክ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕማድን ቀዳማይ ሚኒስተር ግብጺ ሞስጣፋ ማድቦሊን ነቲ ኣብ ዕጹው ማዕጾ በጺሑ ዘሎ ዘተ፡ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ መዓልታት ስሉሳዊ ዘተ ብምግባር መፈትሒ ክገብርሉ ተማሕጺኑ\" ክትብል ኣቃሊሓ። ቀዳማይ ሚኒሰተርዓብደላ ሓምዶክ \"እቲ ኢትዮጵያ ትሃንጾ ዘላ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኣብ ሓደ ኣገዳሲ ደረጃ በጺሑ ስለዘሎ ኢትዮጵያ ካልኣይ ገጽ ምምላእ ቅድሚ ምጅማራ ኣቐዲምካ ዘተ ብምክያድ ናብ ዝቅጽል ምዕራፍ ከስግር ዘኽእል ስምምዕ ክብጻሕ ኣለዎ\" ምባሉ ማእከን ዜና ሱና ጸብጺባ። ኣቀዲሙ ን10 ዓመታት ክካየድ ዝጸንሐ ርክባት ዋላ እኳ ጽቡቕ ክብሃል ዝኽእል ምዕባለታት እንተኣመዝገበ: ፍረ ከምጽእ ዘይምኽኣሉ ከምዘሕዝኖ ዝገለጸ ቀደማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ: እዚ ሕጂ ዝጽውዖ ዘሎ ስሉሳዊ ዘተ ምስቲ ኣብ 23 መጋቢት 2015 ዝተበጽሐ ስምምዕ ዝሳነ ምዃኑ ሓቢሩ። እቲ ኣብ 2015 ዝተበጽሐ ስምምዕ ብወከልቲ እተን ሃገራት ዝግበር ዘተ ኣብ ስምምዕ ምስ ዘይበጽሕ፡ መራሕቲ ሰለስቲኤን ሃገራት ተራኺቦም መፍትሒ ሓሳብ ንኸምጽኡ ክላዘቡ ዝብል ዝርከቦ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ፡ እቲ ስሉሳዊ ዘተ መራሕቲ ሰለስቲኤን ሃገራት: ዕጹውን ብቪድዩ ዝካየድን ከምዝኸውን'ውን ገሊጹ ኣሎ። ኢትዮጵያ ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ማይ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ቅድሚ ምጅማራ ሓበሬታ ንምልውዋጥ፡ ግብጽን ሱዳንን ሰብ ሞያ ክውክላ ዘቕረበትለን ጻውዒት ነጺገንኦ'የን። ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝመጽእ ናይ ክረምቲ ኣዋርሕ (ሓምለን ነሓሰን ከምኡ'ውን መስከረም) ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ከም እተካይድ ሰብ ሞያ እታ ሃገር ገሊጾም ነይሮም። ግብጽን ሱዳንን ከኣ፡ እታ ሃገር እትሃንጾ ዘላ ገዚፍ ፕሮጀክት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብዝምልከት ኣብ ግዱድ ስምምዕ ከይተበጽሐ: ምምላእ ማይ ክተካይድ የብላን ኢለን ክጉስጉሳ ምጽንሐን ይፍለጥ። ኢትዮጵያ፡ ክልቲአን ሃገራት ዘቕርብኦ ሕቶ ብተደጋጋሚ ክትነጽጎ እንከላ፡ እቲ ግድብ ማይ ክሕዝ ናይ ምግባር ስራሕ ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ዝርርብ እናተኻየደ'ውን ክኸውን ዝኽእል ከም ዝኾነ ትገልጽ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ከተማ ኪንሻሳ ተራኺበን ዘካየድኦ ዘተ ብዘይ ዝኾነ ፍረ ክበተን እንከሎ፡ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ምስ ግብጽን ሱዳንን ሓበሬታ ንምልውዋጥ ንክጥዕም ሰብ ሞይአን ከፍልጥኣ ሓቲታ። ይኹን'ምበር፡ ኣብ'ቲ ሕጋውን ቀያድን ስምምዕ ከይተበጽሐ ሓበሬታ ንምልውዋጥ ዝሕግዙ ሰብ ሞያ ከፍልጥኣ ዘቕረበትለን ጻውዒት ግብጽን ሱዳንን ኣይተቐበልኦን ክብል ሮይተርስ ጸብጺቡ። ማዕከን ዜና ሱዳን ሱና ንመግለጺ ሚኒስትሪ ማይን መስኖን እታ ሃገር ጠቂሱ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ፡ ኣብ ዙርያ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ሓበሬታ ምልውዋጥ ኣገዳሲ ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፡ ኣብ ስምምዕ ካብ ሞንጎ ዝተበጽሓሎም ጉዳያት ኣብ ውሱናት ትኹረት ዝገበረ ምዃኑ ጥርጣረ ከም ዝፈጠረሉ ገሊጹ። ሱዳን ንመስኖን ዝስተ ማይን ዘድልያ መጠን ማይ፡ ኢትዮጵያ ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ማይ ግድብ ሕዳሰ ቅድሚ ምጅማራ: ኣብቲ 600 ሚሊየን ሜትር ኲዩብ ማይ ክሕዝ ዝኽእል ግድብ ጀበል ኣወልያ ክትዓቚር ምዃና ሱና ጸብጺቡ። ህንጸት እቲ ግድብ ንምዝዛም 20 ሚኢታዊት ከም ዝተረፎ ክግለጽ እንከሎ፡ ሙሉእ ስርሑ ምስ ጀመረ ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪ ናይ ምምንጫው ዓቕሚ ክህልዎ'ዩ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56742685"} {"headline":"ንጳጳስ ዝቐተለ ግብጻዊ ፈላሲ ብማሕነቕቲ ተቐጺዑ","content":"ኣብ ሓደ ገዳም ግብጺ፡ ንፈላሲትን ጳጳስን ቐቲሉ ዝተባህለ ሓደ ፈላሲ ብማሕነቕቲ ተቐጺዑ። ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ጳጳስ ኤፒፋፊኒየስ ቅዱስ ማካርየስ ኣብ ዝተባህለ ገዳም ተቐቲሎም። እቶም ጳጳስ ተሃሪሞም ከም ዝሞቱ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብ ቅትለት እቶም ጳጳስ ኢድ ኣለዎ ዝተባህለ ካልእ ፈላሲ ንሕልፈት ክእሰር ተፈሪድዎ። ኣብቲ እዋን፡ ቕትለት እቶም ጳጳስ ኣብ ልዕሊ ምእመናን ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ሓያል ስንባደ ፈጢሩ ነይሩ። ዋኤል ኤል ሳድ ታዋድሮስን ሬሞን ራስሚ ማንሱርን ዝተባህሉ ክልተ ፈለስቲ፡ ንኣበምኔትን ጳጳስን እቲ ገዳም ኣብ ሰሜን ምዕራብ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ዋዲ ኣል ናቱር ዝተባህለ ቦታ ከም ዝቐተሉዎም ይግለጽ። ኣብ ሞንጎም ዝነበረ ኣፈላላይ ምኽንያት ሞት እቶም ጳጳስ ከም ዝኾነ'ኳ እንተተገለጸ፡ እቲ ምኽንያት እንታይ'ዩ ዝብል ግን ኣይተሓበረን። ዓቃቢ ሕጊ ግብጺ ከም ዝብሎ፡ ዋኤል ኣል ሳድ ታዋድሮስ ነቶም ጳጳስ ብሓጺን ቀጥቂጡ ከም ዝቐተሎም ክናዘዝ እንከሎ፡ ፈላሲ ሬሞን ራስሚ ማንሱር ከኣ ሰብ ከይመጽእ ይሕሉ ነይሩ ተባሂሉ። እቲ ፈላሲ ብሞት ዝቕጽዐሉ ፍርዲ ብሰንበት ተፈጺሙ ኣሎ። ሬሞን ራስሚ ማንሱር፡ መጀመርታ ናይ ሞት ፍርዲ ተፈሪዱዎ'ኳ እንተነበረ፡ እቲ ፈላሲ ብመሰረት ዘቕረቦ ይግብኣኒ ግን ናብ ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ተቐይርሉ። እቶም ጳጳስ ምስ ተቐትሉ ቤተክርስቲያን ኮፕቲክ ንሓደ ዓመት ንሓደሽቲ ፈለስቲ መዓርግ ካብ ምሃብ ተቖጢባ ጸኒሓ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57057193"} {"headline":"ሊግ ሃገራት ዓረብ ንግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ ንዘቅረበኦ ሓሳብ ኢትዮጵያ ነጺጋቶ","content":"ማሕበር ሃገራት ዓረብ፡ ቤት ምኽሪ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ዘተ ከካይድ ንዘቕረበኦ ሓሳብ ኢትዮጵያ ተቃዊማቶ። ኣብ ቀጠር ትማሊ ኣኼባ ዘካየዱ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ማሕበር ሃገራት ዓረብ: ቤት ምኽሪ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንዓቢ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ ዘተ ካካይድ ለበወኦም ኣሕሊፎም ኣለዉ። ንመግለጺ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ኣመልኪቱ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቤት ምኽሪ ሊግ ሃገራት ዓረብ ብዘውጽኦ ሓሳብ ኣዝዩ ከምዝሓዘነ ገሊጹ። መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ኢትዮጵያ ብምስዓብ፡ ሊግ ሃገራት ዓረብ ጌጋ ዝኾነ መርገጺ ክወስድ እዚ ናይ መጀመርትኡ ከምዘይኾነ ብምግላጽ፡ እዚ ትማሊ ዝወጸአ መግለጺ’ውን መቐጸልታ ምዃኑ ብምሕባር ነቲ ሓሳብ ‘ኢትዮጵያ ምሉእ ንምሉእ ከምዘይትቕበሎ’ ኣፍሊጡ። ሃገራት ሱዳንን ግብጽን ጠለብ ብምቕራበን ሊግ ሃገራት ዓረብ ኣብ ጉዳይ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ከምዝተዛተያን ድሕሪ ዘተአን ቤት ምኽሪ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ክዛተ ሕቶ ከምዘቕረቡ ዋና ጽሓፊ እቲ ሊግ ኣሕመድ ኣቡል ጋሂት ድሕሪ ኣኼባ ንማዕከናት ዜና ሓቢሩ። ማሕበር ሃገራት ዓረብ ንሃገራት ግብጽን ሱዳንን ንምድጋደፍ’ውን “ቀስ ኢሎም ኣብ ዝውሰዱ ስጉምትታት” ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሑ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር ሞሓመድ ቢን ዓብዱልራሕማን ኣልታኒ ንጋዜጤኛታት ሓቢሩ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር ሞሓመድ ቢን ዓብዱልራሕማን ኣልታኒ ዝርዝር እቲ ዝተበጽሕ ስምምዕ እንታይ ምዃኑ ግን ኣይገለጸን። ሊግ ሃገራት ዓረብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ሱዳንን ግብጽን ሕጽረት ማይ ከስዕብ ዝኽእል ካልኣይ ገጽ ምምላእ እቲ ሓጽቢ ተቖጢባ “ብቅንዕና” ዘተ ከተካይድ ጸዊዐን ኣለዋ። እተን ሃገራት ሩባ ኣባይ ቀንዲ ሕመረት ህላወ ግብጽን ሱዳንን ከምዝኾነ ብምግላጽ፤ ኢትዮጵያ ንክልትኤን ሃገራት ዝጎድእ ተግባር ከይትፍጽም ክጽውዓ እንከለዋ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ሩባ ኣባይ መፍትሕ ጸገማት ሚሊዮናት ኢትዮጵያውያን ከምዝኾነ ብምግላጽ ሚሊዮናት ኢትዮጵያውያን ካብ ድክነት ንኽናገፉ ሩባ ኣባይ ናይ ህላወ ጉዳይ ምዃኑ ኣስሚርሉ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጸኢ ኢትዮጵያ ኣብ መግለጺኡ፡ ሊግ ሃገራት ዓረብ፡ ጉዳይ ዓቢ ግድብ ህዳሰ “ዓለምለኻዊ ጉዳይ ገይርካ ንምቅራብ ዝተሃቀነ ፍሹል ፈተነ’ዩ” ብምባል እቲ መግለጺ ናይ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፡ ዞባዊ ምትሕብባር ንምስሳን ዋላ ሓንቲ ኣስተዋጽአ ዘይብሉ ሓሳብ እዩ ኢልዎ። ሃገራት ግብጺ ሱዳንን ኢትዮጵያን ንምሕደራን ኣመላልኣን ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪተን ብሞንገኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ብተደጋጋሚ ክራኸባ ጸኒሓን እየን፡ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ኮንጎ ኪንሳሻ እኳ እንተተራኸባ ናብ ሓደ ደምዳሚ ስምምዕ ክብጽሓ ኣይክኣላን ዘለዋ። ግብጽን ሱዳንን ዓቢ ግድብ ህዳሰ ንመጠን ማየን ከየጉድሎ ስግኣት ኣለወን። ኢትዮጵያ ብወገና ካብቲ ግድብ ንልዕሊ 65 ሚልዮን ካብ ዜጋታታ ቀረብ ኤለትሪክ ከተመንጭወሉ ምዃናን ኣብቲ ናብ ግብጽን ሱዳንን ዝፈስስ ማይ ዝኾነ ጽልዋ ከምዘይህልዎ እያ ትማጎት። እቲ ብልዕሊ ዓሰርተ ቢልዮን ዶላር ዝህነጽ ዘሎን ካብ ዝጅመር ዓሰርተ ዓመት ዝገበረ ዓቢ ግድብ ህዳሰ-ኢትዮጵያ ምስ ተዛዘመ ካብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ሓጽቢ ከምዝኸውንን፡ ልዕሊ ሓሙሽት ሽሕ ሜጋዋት ሓይሊ ኤለትሪክ ናይ ምምንጫው ዓቕሚ ከምዝህልዎን እዩ ተገሊጹ ዘሎ። ቀዳማይ ገጽ ምምላእ ማይ እቲ ሓጽቢ ቅድሚ ዓመት እዩ ተኻይዱ፡ ካልኣይ ዙር ኸኣ ኣብ ወርሒ ሓምለ ከምዝካየድ ኢትዮጵያ ገሊጻ ኣላ። እቲ ሓጽቢ ካብ ዝመጽእ ዓመት ጀሚሩ ብኸፊል ምምንጫው ጽዓት ከምዝጅምር’ውን ኢትዮጵያ ገሊጻ ኣላ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57496466"} {"headline":"ግድብ ህዳሰ: ኣብ ዝመጽእ ክራማት ፈተነ ምምንጫው ጸዓት ክጅምር ምዃኑ ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ","content":"ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕጽል ናይ ክረምቲ ኣዋርሕ ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኣባይ ፈተነ ምምንጫው ጸዓት ክትጅምር እያ። ኣብ ተመሳሳሊ ወቕቲ ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ማይ ከም ዝካየድን ፈተነ ምምንጫው ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከም ዝጅመርን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሓቢሩ። እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ \"እቲ ግድብ ማይ ንምምላእ ዝግበር ጻዕሪ ከምኡ'ውን መስርሕ ምምላእን ናብ ስራሕ ክኣቱ ምግባርን ዘተዓናቕፍ ዝኾነ ሓይሊ የለን\" ክብል ገሊጹ። ኣብዚ ሕጂ እዋን 80 ሚኢታዊት ህንጸት ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ከም ዝተዛዘመ ክግለጽ እንከሎ፡ ምሉእ ብምሉእ ናብ ስራሕ እንትሰጋገር ልዕሊ ሽዱሽተ ሽሕ ሜጋ ዋት ጸዓት ከም ዘመንጩን ንጎረባብቲ ሃገራት ከም ዝረብሕን ኢትዮጵያ ትገልጽ። ትማሊ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳሜህ ሽኩሪ ንቴሌቪዥን ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ \"ኣብ ሃገራዊ ረብሓና ሕድሮ ጽልዋ የለን\" ኢሉ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግድብ ኣስዋን እኹል ማይ ሒዙ ስለ ዘሎ፡ ምምላእ ማይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ኣሉታዊ ጽልዋ ከሕድር ከም ዘይኽእል ከረጋግጽ እንከሎ \"ግብጺ ናይ ማይ ሃብትታታ ብግቡእ ብምምሕዳር ንኻልኣይ ዙርያ ምምላእ እቲ ግድብ ክተአንግዶ ትኽእል'ያ\" ክብል ተዛሪቡ። ቅድም ኢሉ ፕረዚደንት: ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ፡ \"ግብጺ ካብ ሩባ ኣባይ እትረኽቦ ብጽሒት ማይ እንተነክዩ ኣይክትዕገስን እያ\" ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ። ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ክሳብ እቲ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዘካየድኦ ዝርርብ ብዘይ ፍረ ክብተን እንከሎ፡ ሱዳን 'ብምኽንያት ዓንቀጽ መርገጺ ኢትዮጵያ' ኣብ ስምምዕ ክንበጽሕ ኣይክኣልናን ክትብል እንከላ በዚ ምኽንያት ድሕነታን ህዝባን ንምሕላው ካልእ ኣማራጺ ክትደሊ ዝገብራ'ዩ ኢላ ነይራ። ግብጺ ብወገና፡ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ክበጽሓሉ ዝኽእላ ስጉምቲ ብዘይምህላዩ እቲ ዘተ ውጽኢታዊ ክኸውን ከም ዘይኽእል ገሊጻ። ይኹን'ምበር ኢትዮጵያ እቲ ግድብ ኣብ ምምላእ፣ ኣተሓሕዛ ማይን መጠን ፍሰትን ንምስምማዕ ድልውቲ ከም ዝኾነትን \"ክልቲአን ሃገራት ግን ብጽሒት ማይ ኢትዮጵያ ዝግድብን ኣለና ዝብልኦ ክፍፍል ማይ ንክጽናዕን ኣብ ዘገድድ ስምምዕ እንተዘይተበጺሑ ዝብል መርገጺ ብምሓዘን\" ኣብ ስምምዕ ክንበጽሕ ኣይክኣልናን ኢላ ነይራ። ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብ ዝቕጽል ኣዋርሕ ክረምቲ ዝሓዘቶ መደብ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ከም ዘይትስርዞ ኣፍሊጣ። ኣብ ዙርያ ህንጸት እቲ ግድብን ምምላእ ማይን ሕቶ ከልዕላ ዝጸንሓ ግብጽን ሱዳንን፡ መነባብሮአን ካብ ሩባ ናይል ኣብ ዝረኽብኦ ማይ ዝድረኽ ስለዝኾነ፡ ኣብ ምሉእ ስምምዕ ክብጻሕ ጠለብ የቕርባ። ብ10 ግንቦት 2021 ምስ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ዝተዘራረበ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ጄፈሪ ፌልትማን፡ ሃገሩ ነቲ ሰለስቲአን ብጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዝሰሓሓባ ሃገራት ብመሪሕት ሕብረት ኣፍሪቃ ዘካየደኦ ዘተ ንምሕጋዝ ድሉውቲ ምዃና ምግላጹ ይዝከር። ህንጸት እቲ ግድብ ጠሚቶም ዝካየዱ ዝርርባት ኣብ2011 (ኤውሮጳ) እንተጀመሩ'ውን ክሳብ ሕጂ ግን ብተደጋጋሚ ብዘይስምምዕ እናተበነ ዞባዊ ስግኣት ጸጥታ ከይፈጥር ክስጋእ ጸኒሑ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57111439"} {"headline":"ቅልውላዉ ትግራይ፡ ኣመሪካ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ‘ዝተኣሳሰረ ቅልውላዋት’ ንምፍታሕ ትጽዕር ከምዘላ ገሊጻ","content":"ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብቲ ዞባ ከካይዶ ዝቐነየ ዑደት ፈጺሙ ናብ ሃገሩ ከምዝተመለሰ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ'ታ ሃገር ኣፍሊጡ። ኣምባሳደር ጀፍሪ ፈልትማን ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ግብጽን ሱዳንን ከምዝተራኸበ እቲ ሎሚ ዝወጸኣ መብርሂ ጠቒሱ። \"ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ናይ መቐይሮ ነጢቢ'ዩ ዘሎ። እቶም ኣብ ዝቕጽሉ ሳምንታትን ኣዋርሕን ዝውሰዱ ውሳነታት ከኣ ንህዝቢ'ቲ ዞባን ረብሓታት ኣመሪካን ኣገዳሲ ኣፋፍኖት ክህልዎም'ዩ\" ይብል እቲ ሎሚ ዝወጸ መግለጺ። ኣመሪካ ነቶም ኣብቲ ዞባ ተፈጢሮም ዘለዉ \"ዝተኣሳሰሩ ቅልውላዋት\" ንምፍታሕ ድልውቲ ምዃና ብምግላጽ፡ \"ዜጋታት ብዛዕባ ምሕደራኦም ድምጺ ዝህቡሉን መንግስታት ድማ ንዜጋታቶም ተሓተትቲ ዝኾንሉ ብልጹግን ርጉእን ቀርኒ ኣፍሪቃ\" ንምፍጣር ክትድግፍ ምዃና ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣነጺሩ'ሎ። ሓድነታ ዝዓቀበት ኢትዮጵያ ኣካል ናይዚ ራኢ'ዚ ከምዝኾነትን፡ እንተኾነ ግን ኣመሪካ በቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካውን ብሄራውን ምትፍናን ከምዝተሻቐለት ገሊጻ። ኣምባሳደር ፈልትማን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ካልኦት መራሕትን ብምርኻብ፡ ነቶም ኣብታ ሃገር ኣጋጢሞም ዘለዉ ብድሆታት ንምፍታሕ፡ ንሰብኣዊን ፖለቲካውን መሰላት ኩሎም ኢትዮጵያውያን መሰረት ዝገበረ ኣሳታፊ ሃገራዊ ምርድዳእ ክፍጠር ከምዝተመያየጡ እቲ መግለጺ የመልክት። \"ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታትን፡ እቲ ኣብቲ ክልል ተፈጢሩ ዘሎ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓደጋን ቅቡል ኣይኮነን። \"ምቁራጽ ተጻብኦታት ንምውሓስ፡ ነቲ ቀዛፊ ግጭት ደው ንምባልን ሂወት ዘድሕን ሓገዝ ንምሃብን ምስ ዓለምለኻውያን መሓዙትናን መሻርኽትናን ክንሰርሕ ኢና\" ይብል መግለጺ ኣመሪካ። ክሳብ ሕጂ መንግስቲ ፈደራል፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒታት ውሽጣዊ \"ሕጊ ናይ ምኽባር\" ስጉምቲ ምዃኑ ብምምጓት፡ ንዝኾነ ሰላማዊ ዝርርብ ክሕሰሞ ምጽንሑ ይፍለጥ። እቲ ግጭት፡ ሰፊሕ ምፍንቓል ከም ዘስዓበን፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ነበርቲ ናብ ሱዳን ክሃድሙ ከምዝተገደዱን ጸብጻባት ትካላት ረዲኤት የረድኡ። ልዕሊ 4 ሚልዮን ህዝቢ'ቲ ክልል ድማ ተጸባዪ ህጹጽ ረዲኤት ኮይኑ ከምዘሎ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ። ቁጽሮም ብንጹር ዘይተፈልጠ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብቲ ኲናት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት። ትካላት ሰባዊ መሰላት፡ እቲ ኣብ ግጭት ተፈጺሙ ዝብሃል ቅትለትን ጾታዊ ዓመጻትን ዝርከቦ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ብናጻ ኣካል ክጻረ ክጽውዑ ምጽንሖም ይዝከር። ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ነቲ ክህሉ ዝኽእል ምርድዳእ ኢትዮጵያ ዓንቃፊ ምዃኑ ዝገለጸ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣብቲ ኣምባሳደር ፈልትማን ኣብ ኣስመራ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘካየዶ 4 ሰዓታት ዝወሰደ ልዝብ ሓይልታቱ \"ብህጹጽ\" ከውጽኦም ከምዝጠለበ ኣመሪካ ኣፍሊጣ። ኤርትራ ካብ ግጭት ትግራይ ሓይልታታ ከተውጽእ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዝተሰማምዐት'ኳ ብክልቲኦም ወገናት እንተ ተሓበረ፡ ክሳብ ሕጂ ከምዘይወጹ ጸብጻባት ይገልጹ። ኣብ ቀዳሞት መዓልታት ወርሒ ሕዳር 2020፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ብዓቕሚ ሰቡን ብዝሒ ኣጽዋራቱን ዝሓየለን ዝበዝሐን ዝብሃል ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞምን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ህወሓት ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ምስ ኣወጀን'ዩ ኵናት ጀሚሩ። ብዛዕባ'ቲ ኣብ ዞባ ስግኣት ፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ'ውን፡ እቲ ጉዳይ ንውሕስነት ማይ ግብጽን ሱዳንን ከምኡ'ውን ኣገዳስነት ልምዓት ኢትዮጵያ ኣብ ግምት ብዘእተወ ክፍታሕ ምስ መራሕትን ዝምልከቶም ሰብመዚን ሰለስቲአን ሃገራት ተዘራሪቡ'ሎ። ሰለስቲአን ሃገራት፡ እቲ ክዛዘም ተቓሪቡ ዘሎ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ግድብ መመንጨዊ ጸዓት ብኸመይ ማይ ይምላእ ኣብ ዝብል ክሰማምዓ ኣይከኣላን ዘለዋ። ምምሕዳር ፕረደዚንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ነቲ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝፍተን ዘሎ ክሳብ ሕጂ ዘይተዓወተ መስርሕ ዝርርብ ከምዝድግፍ ምግላጹ ይዝከር። ኣብ ሱዳን ተጀሚሩ ዘሎ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክዕምብብን፡ ሕቡራት ሃገራት ደገፋ ከምዘይትበቅቕ ኣመሪካ ኣፍሊጣ። እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ተፈጢሩ ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብ፡ ናብ ካልእ ረጽሚ ከየምርሕ ድማ ምስ መሻርኽታ ብምዃን መፍትሒ ከምእተናዲ ቃል ኣትያ'ላ። እቲ ፍሉይ ልኡኽ ነቶም ጉዳያት ንምክትታል ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብቲ ዞባ ክምለስ ምዃኑ'ውን እቲ ዘወጸ መግለጺ ሓቢሩ'ሎ። ምኩር ዲፕሎማሰኛ ኣምባሰደር ጀፍሪ ፈልትማን ንጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ክከታተል ብጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ዝተመዘዘ'ዩ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57124136"} {"headline":"ኤቨር ጊቭን፡ መንግስቲ ግብጽን ዋና ንመትረብ ስዊጽ ዓጽያ ዝነበረት መርከብን ተሰማሚዖም","content":"ዋና ናይታ ኣብ ወርሒ መጋቢት ንመትረብ ስዊጽ ዓጽያ ዝነበር ኤቨርጊቭን ዝተባህለት መርከብን ሰብ መዚ ግብጽን ኣብ ኣፈናዊ ናይ ካሕሳ ስምምዕ ከም ዝብጽሑ ተገሊጹ። መርከብ ኤቨርጊቭን ካብ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ እትሰግረሉ ዝነበረት እዋን፡ ኣብ ማእከል መትረብ ስዊጽ ተሸኺላ ነቲ ንቀይሕ ባሕርን ማእከላይ ባሕርን ዘራኽብ መስመር ንመዓልታት ከም ዝዓጸወቶ ዝዝከር እዩ። እዛ ዓባይ ኮንቲነራት ትጽዕን መርከብ፡ ድሕሪ መዓልታት ዝወሰደ ግድል ካብቲ ተሸኺላቶ ዝነበረት ሑጻ ምስ ወጽአት መንግስቲ ግብጺ ብሰንኪ እታ መርከብ ንዝሰዓበ ክሳራታት ንክከሓስ ነታ መርከብ ንኣዋርሕ ደው'ዩ ኣቢልዋ ዘሎ። ሰብ መዚ ግብጺ፡ ካብ መጀመርታ ዋና እታ መርከብ 900 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል'ዮም ጠለብ ኣቕሪቦም። ጃፓናዊ ዋና እታ መርከብን ጠበቓታቱን ብወገኖም፡ እታ መርከብ ክሳብ ሕጂ ክትሰርሕ እንተትጸንሕ ብዙሕ ሚልዮናት መእተወት ነይራ ብምባል ንግብጺ ዝህብዋ ካሕሳ ናብ 550 ሚልዮን ዶላር ክወርደሎም ጠለብ ኣቕሪቦም። ድሕሪ ተደጋጋሚ ዝርርባት፡ ትማሊ ሮቡዕ ወከልቲ ዋና መርከብ ኤቨርጊቭንን ሰብ መዚ መትረብ ስዊጽን ከም ዝተሰማማዑን ኣብ ቀረባ ግዜ ከም ዝፈራረሙን ገሊጾም። መርከብ ኤቨርጊቭን ልዕሊ 18 ሽሕ ኮንቲነራት ሒዛ ኣብ መትረብ ስዊጽ ንመዓልታት ድሕሪ ምሽካላ 29 መጋቢት 2021 ካብቲ ተሸኺላትሉ ዝነበረት ሑጻ ወጺኣ ክትንቀሳቐስ ምጅማራ ይዝከር። ካብ 29 መጋቢት ጀሚራ ኸኣ መንግስቲ ግብጺ ካሕሳ ከይተኸፈልኩ ኣይፍንዋን'የ ስለ ዝበለ መልሕቃ ደርብያ ኣብ ግብጺ እያ ደው ኢላ ዘላ። እታ መርከብ፡ ነቲ እንኮ ንቀይሕ ባሕርን ማእከላይ ባሕርን ዘራኽብ ጸቢብ መስመር ምስ ዓገተቶ፡ ኣማኢት መራኽብ ነቲ ብደቡብ ኣፍሪቃ ዝግብር ዝነወሐ መስመር ክጥቐማ ከም ዝተገደዳ ይዝከር። መንግስቲ ግብጺ፡ ብዘይካ ነታ መርከብ ካብቲ ተሸኺላቶ ዝነበረት ሒጻ ንምውጻእ ዘባኸኖ ገዚፍ ወጻኢታት እቲ መስመር ብምዕጻዉ መዓልታዊ ካብ መረኽብ ዝርኽቦ ዝነበረ ሚልዮናት ዶላር ከም ዝኸሰረ'ዩ ዝግለጽ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57591858"} {"headline":"ንማዕከናት ዜና ግብጽን ሱዳንን ዘዘራረበ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ","content":"ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ኢትዮጵያ ብውሑድ 100 ማእከላይን ንኣሽቱን ዲጋታት ክትሃንጽ እያ ምባሉ፡ ማዕከናት ዜና ግብጽን ሱዳንን ብርክት ዝበሉ ጸብጻባት ሰሪሐን። እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ስነ ስርዓት ምጅማር ህንጸት መገዲ ኣዳማ - ኣዋሽ እዩ ነዚ ተዛሪቡ። \"ብውሑድ 100 ማእከላይን ንኣሽቱን ዲጋታት ክንሰርሕ መደብ ኣለና። ኣብ ማይ ትኹረት ገይርና ክንሰርሕ ኢና፤ ማይ ከም ሓደ ዓብዪ ሃብቲ ዘልምዓና ገይርና እንተዘይወሲድናዮ እቲ እንሓስቦ ብልጽግና ክነረጋግጽ ከጸግመልና እዩ\" ኢሉ። ዕላማ ህንጸት እቶም ዲጋታት ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዘ ምፍራይ ንክክኣል'ዩ ዝበለ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ፡ እቶም ግድባት ኣበይ ከባቢ'ዮም ዝህነጹ ዝብል ግን ግልጺ ኣይገበረን። ድሕሪ'ዚ መራኸብቲ ማዕከናት ግብጽን ማእከላይ ምብራቕን ነዚ ኣዘራራቢ ገይረንኦ። ኣሕራም ኦንላይን: ኣብዪ ኣሕመድ ልዕሊ 100 ሓጽብታት ክንሰርሕ መደብ ኣለና ምባሉ ግብጺ \"ንዓለምለኻዊ ሕግታት ዋጋ ዘይምሃብ'ዩ ኢላ\" ክብል ጸብጺቡ። ወሃቢ ቃል መንግስቲ እታ ሃገር ዘረባ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ሕግታት ዶብ ተሳገርቲ ማያዊ ኣካላት ዝጥሓሰን መሰል ታሕተዎት ሃገራት ተፋሰስ ዘየኽበረን'ዩ ምባሉ እቲ ድረ ገጽ ሓቢሩ። ብተመሳሳሊ ዓረብ ኒውስ ንወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣሕመድ ሓፌዝ ብምጥቃስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዝተዛረቦ ኢትዮጵያ ኣብ ኣጠቓቕማ ማይ ኣባይ ምኽንያታዊ ድልየት ከም ዘይብላ ዘርኢ'ዩ ክብል ነቒፉዎ። ኢጅፕት ኢንዲፐንደንት ብወገኑ እቲ ሓበሬታ ካብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ከም ዝረኸቦ ብምግላጽ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ዝበጽሑ ጸቕጢታት መልሲ ዝህብ ግድባት ብምህናጽ ድዩ ክብል ጸብጺቡ። ማዕከን ዜና ሱዳን ሱዳን ትሪቡን ብወገኑ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝቕጽል በጀት ዓመት ናይታ ሃገር ልዕሊ 100 ሓጽብታት ክንሃንጽ ዓቕሚ ኣለና ምባሉ ብምጥቃስ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ብምኽንያት ቅልውላው ትግራይ ካብ ሃገራት ኣመሪካን ኤውሮጳን ከቢድ ጸቕጢ ይበጽሖ ኣሎ ኢሉ። ኢትዮጵያ ቅድሚ 10 ዓመታት ህንጸት ግድብ ሕዳሰ ካብ እትጅምር ንነጀው ብፍላይ ምስ ግብጺ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ክተሰማማዕ ከም ዘይክኣለት ይፍለጥ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምጅማር ህንጸት መገዲ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ \"መንግስቲ ኣብ ሕሉፍ ኣብ ጥዕና፣ ትምህርትን መገድን ዓበይቲ ፕሮጀክታት ስለ ዝሰርሐ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ማእኸለዎትን እነኣሽቱን ሓጽብታት ክሰፍሑ ምግባር'ዩ\" ኢሉ። እቲ ህንጸት መገዲ ኣካል ኮሪደር መጓዓዝያ ኢትዮ - ጅቡቲ ኮይኔ፡ 60 ኪሎ ሜትሮ ዝሽፍን ስሉጥ መገዲ ከም ዝኾነ ተሓቢሩ። ህንጸት እዚ መገዲ ካብ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ብዝተረኸበ ልቓሕ 6.6 ቢሊየን ብር ክጅመር እንከሎ እቲ ካልኣይ ምዕራፍ 70 ኪሎ ሜትር ከም ዝሽፍንን ጨረታ ከም ዝወጽኣሉን ተሓቢሩ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57291576"} {"headline":"ግድብ ህዳሰ፡ ኣመሪካ ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዘተ ከምእትድግፍ ኣፍሊጣ","content":"ኣመሪካ ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዘተ ግድብ ህዳሰ ከምእትድግፍ ፍሉይ ልኡኽ እታ ሃገር ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ገሊጹ። ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ጄፈሪ ፌልትማን፡ ሃገሩ ነቲ ሰለስቲአን ብጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዝሰሓሓባ ሃገራት፡ ብመሪሕት ሕብረት ኣፍሪቃ ዘካይደኦ ዘተ ንምሕጋዝ ድሉውቲ እያ ኢሉ። እቲ ልኡኽ ትማሊ ምስ ሚኒስተር ማይ፣ ጻዓትን መስኖን ኢትዮጵያ ዶ\/ር ስለሺ በቀለ ተዘራሪቡ። ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ኣምባሳደር ፌልትማን፡ ትማሊ ምስ ኣባላት ተደራዳሪ ጉጅለ ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ እቲ ግድብ ከም ዝተዘራረቡ ተሓቢሩ። ሚኒስትር ስለሺ በቀለ እውን ብዛዕባ እቲ ግድብ ዝበጸሖ ናይ ህንጸት ደረጃን እቲ ሕብረት ዝመርሖ ዘተን ኣመልኪቶም ምስ ኣምባሳደር ፌልትማን ንጹር ዘተ ከም ዘካየዱ ኣብ ትዊተሩ ኣስፊሩ እዩ፡፡ ኣመሪካ ብዘይ መድልዎ ሓገዝ ከም እትገብርን ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ንሰለስቲአን ሃገራት ተጠቀምቲ ኣብ ዝገብር ስምምዕ ክበጽሓ ድልየት ከም ዘለዋን እቲ ፍሉይ ልኡኽ ከም ዝገለጸ 'ውን ሓቢሩ። ኣምባሳደር ፌልትማን፡ ምስ ኣብያተ ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ፖለቲካዊ መራሕትን ሓለፍቲ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝን ክዘራረብ ትጽቢት ይግበር፡፡ እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ፡ ሃገሩ ኣብ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ናይ ጸጥታን ሰብኣዊ ጸገማትን ብዲፕሎማስያዊ መገዲ ክፍትሑ ጻዕሪ ንምግባር ዘለዋ ውፉይነት ንምርግጋጽን ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ናይ ትሕብብር ፖሊሲ ንምጥንኻርን እዩ ተባሂሉ፡፡ ኣምባሳደር ፌልትማን፡ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ከም ዝተመዘዘ ዝፍለጥ እዩ፡፡ ንሱ ቅድሚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምጽኡ፡ ምስ መራሕቲ ሃገራት ግብጺ፣ ሱዳንን ኤርትራን ከም ዝተዘራረበ ይዝከር፡፡ ኣምባሳደር ፌልትማን ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልቲ ናይ ሱዳን ጻንሒት፡ ናብ ኣስመራ ተጓዒዙ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንኣርባዕተ ሰዓታት ከም ዝተዘራረበ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣፍሊጡ ነይሩ፡፡ ኣብቲ ዘተ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ጸገማት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምፍታሕ ኤርትራ ምስ ኣመሪካ ሓቢራ ንምስራሕ ውፉይቲ ምዃና ከም ዝገለጸ እውን እቲ ሚኒስተር ዜና ኣብ ትዊተር ኣስፊሩ እዩ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ፍሉይ ልኡኽ ናብ ግብጺ ኣምሪሑ ምስ ፕረዚደንት ኣብዱል ፈታሕ ኣልሲሲ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሳሚህ ሽኩሪን ሚኒስተር ማይ እታ ሃገርን ከም ዝተራኸበ ይዝከር፡፡ ፕረዚደንት ኣልሲሲ፡ \"ግብጺ ካብ ሩባ አባይ እትረኽቦ ብጽሒት ማይ እንተነክዩ ኣይክትዕገስን\" ከምዝበለ ዋሽንግተን ፖስት ጸብጺቡ እዩ፡፡ እቲ ልኡኽ ብወገኑ ምምሕዳር ጆ ባይደን ኣብቲ ዞባ ዘለዉ ዘሰሓሕቡ ጉዳያት ፍታሕ ኣብ ምርካብ ትኹረት ከም ዝገብር ምግላጹ ምንጪታት ብምጥቃስ ዋሽንግተን ፖስት ሓቢሩ፡፡","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57057195"} {"headline":"ፕረዚደንት ግብጺ፡ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ናብ ጎንጺ ከምርሕ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ","content":"ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲ፡ እቲ ኣብ ዙርያ ግድብ ሕዳሰ ዝግበር ዘሎ ዝርርብ ብሰላማዊ መገዲ መዕለቢ እንተዘይተረኺቡሉ ናብ ጎንጺ ከምርሕ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ። ንሱ፡ እቲ ኣብ መንጎ ግብጺ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ከተማ ኪንሻሳ ዝተኻየደ ዘተ ብዘይ ዝኾነ ፍረ ድሕሪ ምብታኑ ነቲ መግለጺ ከም ዝሃበ ሮተርስ ጸብጺቡ። ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን፡ ኣብ ጉዳይ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ስሉሳዊ ዘተ ኣካይደን ምንባረን ይፍለጥ። ፕረዚደንት ኣል ሲሲ፡ ሱዳንን ግብጽን ኣብቲ ጉዳይ ተወሃሂደን ይሰርሓ ከም ዘለዋ ድሕሪ ምግላጽ፡ ''ምትሕብባርን ስምምዕን ካብ ካልእ ንላዕሊ ኣገደስቲ ምዃነን'' ተዛሪቡ። \"ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ኣሕዋትና ክነግሮም ዝደሊ፡ ኩሎም ኣመራጺታት ክፉታት ስለ ዝኾኑ ንጣብ ማይ ናይ ግብጺ ዝትንከፈሉ ደረጃ ኣይንብጻሕ\" ክብል ተዛሪቡ። ሚኒስትር ማይን መስኖን ሱዳን ያሲር ዓባስ ብወገኑ፡ ሃገሩ መሰላ ንምክልኻል ኩሎም ኣማራጺታት ኣብ ጠረጴዛ'ዩ ዘሎ ክብል ንመንግስታዊ ማዕከን ዜና ሱና ተዛሪቡ። ሚንስተር ማይ፣ መስኖን ኢነርጅን ኢትዮጵያ ኢንጅነር ስለሺ በቀለ ብወገኑ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ ኣድላዪ ዘይኮነ ኲናት ምእታው ኣየድልን ኢሉ። \"ብሰንኪ ማይ ኲናት ክጅመር ኣይክእልን እዩ። ማይ ሎምን ጽባሕን ብቐጻሊ ክውሕዝ እዩ'' ክብል ተዛሪቡ። ንሱ፡ ንሮተርስ ኣብ ልኣኾ መልእኽቲ ኢትዮጵያ ማይ ካልኦት ሃገራት ትጥቀም ኣላ ንዝብል ክሲ ነጺግዎ። \"ንሕና ካብ ግብጽን ሱዳንን ዝምጪ ማይ ኣይንጥቀምን ዘለና። እቲ እንጥቀሞ ማይ ናይ ኢትዮጵያ ኮይኑ ንጎረባብቲ ሃገራት ከይጎዳእና ንድልየታትን ረብሓን ህዝብና ንጥቀሞ ኣለና'' ኢሉ። ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ግብጺ፡ ብምኽንያት እቲ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ፡ ሃገሩ ኣብ እትረኽቦ መጠን ማይ ጽልዋ ዝፈጥር እንተኾይኑ፡ ''ዝኸፍአ ከባብያዊ ጸገም'' ክፍጠር እዩ ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ። \"ደጊመ ከም ዝገልጾ፡ ማንም ካብ ግብጺ ንጣብ ማይ ክወስድ ኣይኽእልን፤ እዚ እንተኾይኑ ድማ ኣብዚ ዞባ ሓደገኛ ዘይምርግጋእ ክፍጠር እዩ'' ክብል ተዛሪቡ፡፡ ህንጸት እቲ ግድብ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ተደጋጋሚ ዘተ እኳ እንተገበራ ኣብ ስምምዕ ግን ክበጽሓ ኣይከኣላን፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ፡ ቀዳማይ ደረጃ ምምላእ ማይ ከም ዘካየደት ዝሓበረት ኢትዮጵያ ሎምዘበን እውን ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ማይ ከምእተካይድ ገሊጻ ኣላ፡፡ ግብጽን ሱዳንን፡ ኣብ ስምምዕ ከይተበጽሐ ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ማይ ክትመልኦ የብላን ዝብል ቅዋመን ብተደጋጋሚ ዘስመዓ ኮይነን፡ ኢትዮጵያ ግና እቲ ዘተ እናተሳለጠ ማይ ክመልእ እየ ዝብል መርገጺ እዩ ዘለዋ፡፡ እቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብተደጋጋሚ ክቋረጽ ዝጸንሐ ዘተ፡ ኣብዚ እዋን ሕብረት ኣፍሪቃ ይመርሖ ኣሎ። ኣብ ቀረባ፡ ሱዳንን ግብጽን ከም ሕብረት ኤውሮጳ ኣመሪካ ከምኡ'ውን ሕቡራት ሃገራትን ዝበሉ ዓለምለኻዊ ኣሸማገልቲ ክሕወስዎ ኳ እንተጸውዓ፡ ኢትዮጵያ ግና እቲ ጉዳይ ናይ ሰለስቲአን ሃገራት ስለ ዝኾነ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ወጻእ ካልእ ኣካል ክሕወስ ኣድላዪ ኣይኮነን ዝብል መርገጺ ኣለዋ፡፡ ኣገዳስነት ግድብ ህዳሰ ህንጸቱ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ፡ ኣብ 2011 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ዝጀመረ ኮይኑ፡ 4 ቢልዮን ዶላር ከም ዝሓትትትን ልዕሊ 6,000 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከመንጪ ከም ዝኽእልን ይእመን። ክሳብ ሕጂ ድማ 75 ሚኢታዊት ህንጻት እቲ ግድብ ከም ዝተዛዘመ ይግለጽ። እዚ ግድብ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ሓያል ወጥሪ ፈጢሩ ከም ዝርከብ ተንተንቲ ፖለቲካ ይሕብሩ። ግብጺ፡ ኣስታት 90 ሚእታዊት ናይ ማይ ጠለባ ካብ ፈለግ ኒል እተማልእ ብምዃና፡ እቲ ፈለግ መሰረት ህላወኣ ከም ዝኾነ እያ እትገልጽ። ግድብ ህዳሰ ምስ ተዛዘመ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ማያዊ ኤለክትሪክ ዘመንጩ ግድብ ክኸውን ትጽቢት ይግበረሉ። ኢትዮጵያ ንምታይ ዓብይ ግድብ ክትሃንጽ ደልያ? እቲ ብቢልዮናት ብር ወጻኢ ዝህነጽ ዘሎ ግድብ ህዳሰ፡ ንዕብየትን ብልጽግናን ኢትዮጵያ ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ይግለጽ። እቲ ግድብ ተሃኒጹ ስርሑ ምስ ጀመረ፡ ኣስታት 6 ሽሕ ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምምንጫዉ ዓቕሚ ክህልዎ'ዩ። ብዙሕ ህዝባ፡ ከም ልቡ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንዘይረኽበላ ኢትዮጵያ ኣገዳስነት እዚ ግድብ ዘወላውል ኣይኮነን። ኢትዮጵያ፡ እቲ ግድብ ብሙሉእ ሓይሉ ጸዓት ከመንጩ ምስ ጀመረ፡ ንጎረባብቲ ሃገራት እውን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክትሸይጥ ትኽእል እያ። ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኤርትራን ጂቡቲን ከኣ ካብቲ ግድብ ክረብሓ ይኽእላ። ብኻልእ ወገን ድማ ኢትዮጵያ ካብቲ ግድብ እትረኽቦ ልዕሊ ዝኾነ ናይ ገንዘብ ረብሓ፡ ሉኣላውነት ከም ዝኾነ ሰብ ሞያ ይዛረቡ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56657461"} {"headline":"ኣል ሲሲ፡ መጠን ማይ ግብጺ እንተጎዲሉ ‘ዝኸፈአ ከባብያዊ ቅልቅላው’ ክፍጠር እዩ ኢሉ","content":"ብምኽንያት እቲ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዓብዪ ግድብ፡ ሃገሩ ኣብ እትረኽቦ መጠን ማይ ጽልዋ ዝፈጥር እንተኾይኑ፡ ‘‘ዝኸፍአ ከባብያዊ ጸገም’’ ክፍጠር እዩ ክብል ፕረዚደንት ግብጺ ኣጠንቂቑ፡፡ ፕረዚደንት ዓብዱል ፈታሕ ኣል ሲሲ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ‘‘ደጊመ ከምዝገልጾ፡ ማንም ካብ ግብጺ ንጣብ ማይ ክወስድ ኣይኽእልን፤ እዚ እንተኾይኑ ድማ ኣብዚ ዞባ ሓደገኛ ዘይምርግጋእ ክፍጠር እዩ’’ ክብል ተዛሪቡ፡፡ ብተወሳኺ \"ንዝኾነ ኣካል ከፈራርሕ ኢለ ኣይኮንኩን፤ ኩሉሻብ ዘረባና ምኽንያታውን ሚዛናውን እዩ\" ኢሉ፡፡ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ፡ ትማሊ ሰሉስ ኣብቲ ብምኽንያት ዝተሸከለት መርከብ ተዓጽዩ ዝቐነየ መትረብ ስዊዝ ተረኺቡ ኣብ ዝገበሮ ዘረባ ነቲ መጠንቀቕታ ዝሃበ ኮይኑ፡ ሃገሩ ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን እትገብሮ ልዝብ ክቕጽል ከምእትደልይ ገሊጹ፡፡ ኢትዮጵያ ብሓሙሽተ ቢልዮን ዶላር እትሃንጾ ዘላ መመንጨዊብሓይሊ ኤሌክትሪክ ግድብ ህዳሰ፡ ህንጸቱ ከባቢ ሰማንያ ምኢታዊት በጺሑ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ፡፡ ህንጸት እቲ ግድብ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ተደጋጋሚ ዘተ እኳ እንተገበራ፡ ኣብ ስምምዕ ግን ክበጽሓ ኣይከኣላን፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ፡ ቀዳማይ ደረጃ ምምላእ ማይ ከምዘካየደት ዝሓበረት ኢትዮጵያ፡ ሎምዘበን እውን ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ማይ ከምእተካይድ ገሊጻ ኣላ፡፡ ሃገራት ግብጽን ሱዳንን፡ ኣብ ስምምዕ ከይተበጽሐ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ማይ ክትመልኦ የብላን ዝብል ቅዋመን ብተደጋጋሚ ዘስመዓ ኮይነን፡ ኢትዮጵያ ግና እቲ ዘተ እናተሳለጠ ማይ ክመልእ እየ ዝብል ቅዋም እዩ ዘለዋ፡፡ እቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብተደጋጋሚ ክቋረጽ ዝጸንሐ ዘተ፡ ብዙሓት ሃገራት ብሸምጋልነት ዝተሳተፉሉ እንተኾን፡ ኣብዚ እዋን ብሕብረት ኣፍሪቃ እዩ ተታሒዙ ዘሎ፡፡ ኣብ ቀረባ፡ ሱዳንን ግብጽን ዓለምለኻዊ ኣሸማገልቲ ይተሓወሱ ብምባለን እቲ ዘተ ተቛሪጹ ነይሩ፤ ኢትዮጵያ ግና እቲ ጉዳይ ናይ ሰለስቲአን ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ስለዝኾነ ካልእ ኣካል ክሕወስ ኣድላዪ ኣይኮነን ዝብል ቅዋም ኣለዋ፡፡ ኢትዮጵያ ቅድሚ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ምክያዳ፡ ንኹሉ ዘማእክልን ዝገዝእን ሕጋዊ ስምምዕ ክፍጸም ኣለዎ ዝብል ሕቶ ሱዳንን ግብጽን እውን ኣይተቐበለቶን፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ቀረባ ኣብ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ‘‘ማይ ምምላእ ብዝምልከት፡ ድሕሪ ዘተ ንግበሮ እንተኢልና በቢዓመቱ 1 ቢልዮን ዶላር ክንከስር ኢና’’ ብምባል እቲ ማይ ምምላእ ክድንጉይ ከምዘይክእል ተዛሪቡ፡፡ ሚኒስተር ማይ፣ መስኖን ጻዓትን ኢትዮጵያ ስለሺ በቀለ (ዶ\/ር ኢንጂነር) እውን ብመሳሳሊ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ብዝኾነ ኩነታት ከምዘይናዋሕን፡ ናብኡ ዘብጽሕ ኣሰራርሓን ምኽንያትን ከምዘየለን ገሊጹ ነይሩ፡፡ ኢትዮጵያ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ብውሽጣዊ ዓቕማ ምህናጽ ዝጀመረቶ ግድብ ህዳሰ፡ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ኮይኑ፡ ካብ ሓሙሽተ ሽሕ ሜጋ ዋት ንላዕሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ ኣለዎ፡፡ ካብ ዝቕጽል ዓመት ጀሚሩ ድማ ብኽፋል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምፍልፋል ክጅምር ምዃኑ እዩ ዝግለጽ፡፡","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56586563"} {"headline":"ፕረዚደንት ግብጺ ኣል ሲሲ፡ ምስ ወታሃደራውን ስቪላውን መራሕቲ ሱዳን ኣብ ካርቱም ተዛትዩ","content":"ትማሊ ቀዳም ናብ ካርቱም ዝበጽሐ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብዱል ፋታሕ ኣል ሲሲ፡ ምስ ወታሃደራውን ስቪላውን መራሕቲ ሱዳን በብወገኖም ተዛትዩ። ሲሲ ምስ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል ቡርሃን ከምኡ’ውን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ፡ ብቀንዱ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝዘተየ ኮይኑ ኣብ ጉዳይ ምስሕሓብ ዶባት ሱዳን ኢትዮጵያን’ውን ከምዝተዘራረበ ተገሊጹ’ሎ። ድሕሪ እዚ ዘተታት፡ ሱዳንን ግብጽን ኣብ’ቲ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዝግበር ዘተታት ዓለምለኻዊ ኣሸማገልቲ ክሳተፍዎ ጻውዒት ኣቕሪበን ኣለዋ። ኣብ’ቲ ቀጸልቲ ዘተታት፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ኣመሪካ፣ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ሕቡራት ሃገራትን ክሳተፍዎ ጸዊዐን። ቅድም ክብል፡ ኣብ’ቲ ዘተ ዓለምለኻዊ ትካላት ክሳተፈኦ ንዝቐረበ ጻውዒት ኢትዮጵያ ኣይተቐበለቶን። ቅድሚ መዓልታት፡ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፡ እቲ ዘተ ብኣሸማጋልነት ኣፍሪቃዊ ሕብረት እናተኻየደ እንከሎ ካልኦት ኣሸማገልቲ ይእተዉ ማለት፡ “ን ግደ ናይ’ቲ ትካል ምንእኣስ እዩ” ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። ኣል ሲሲ፡ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ካብ ዝእለ ንደሓር ንፈለማ እዋን እዩ ናብ ሱዳን ዝበጽሕ ዘሎ። ኢትዮጵያ ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ’ቲ እትሃንጾ ዘላ ዓብዪ ግድብ፡ ፈላማይ ዙር ምምላእ ማይ ኣካይዳ እያ። ኣብ’ዚ ዓመት ድማ ንኻልኣይ እዋን ክትመልእ መደብ ኣለዋ። ግብጽን ሱዳንን ግን፡ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ከይበጽሓ እንከለዋ፡ ኢትዮጵያ ብኢደወነና ማይ ክትመልእ ኣይግበኣን ይብላ። ኢትዮጵያ፡ ኣብ’ቲ ልዕሊ 85 ሚኢታዊት መጠን ማይ እተበርክተሉ ሩባ ዘለዋ ናይ ተረባሕነት መሰል፡ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ከምዘይተቕርቦ እያ ትገልጽ። ግብጽን ሱዳንን እቲ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ግድብ፡ ነቲ ካብ ሩባ ኣባይ ዝረኽበኦ መጠን ማይ ከይንክየለን ስግኣት ኣለወን፤ እቲ ንዓመታት ክካየድ ዝጸንሐ ዘተታት ድማ መዕለቢ ኣይረኸበን። ፕረዚደንት ግብጺ ዓብዱል ፋታሕ ኣል ሲሲ ምስ ወተሃደራውን ስቪላውን ምምሕዳር ሱዳን ካብ ዝተዛተየሎም ፍረ ነገራት ሓደ፡ ጉዳይ ዶባዊ ምስሕሓብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ከምዝኾነ፡ ወኪል ዜና ኤኤፍፒ ንሃገራዊ ሚድያ ሱዳን ብምጥቃስ ጸብጺቡ’ሎ። ሱዳንን ኢትዮጵያን ናብ ዶባዊ ምስሕሓብ ካብ ዝኣትዋ ኣዋርሕ ኣቑጺረን ኣለዋ። ወኪል ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ጸብጻቡ ከምዝበሎ፡ ድሕሪ ምብጻሕ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ፡ ኣብ ጉዳይ ዶባዊ ምስሕሓብ ሱዳንን ኢትዮጵያን፡ ግብጺ ንሱዳን ዘለዋ ደገፍ ኣአንፊታ’ላ። ውሃቢ ቃል እቲ ፕረዚደንት “ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳውባ ምብራቓዊ ግዝኣታት ልኡላውነታ ንምኽባር ዝኸደቶ መስርሕ፡ ንናይ ሱዳን ዓለምለኻዊ ስምምዓት ዶብ ዘይጥሓሰ እዩ” ምባሉ ኤኤፍፒ ጠቒሱ’ሎ። ሱዳን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ወተሃደራታ ብምውፋር፡ ሓረስቶት ኢትዮጵያ ክሓርስዎ ንዝጸንሑን “ኣካል ግዝኣተይ እዩ” ንዝበለቶምን ከባብታት ከምዝተቖጻጸረት ይግለጽ። ኢትዮጵያ ድማ፡ ሱዳን ከምዝወረረታ ብምግላጽ ወተሃደራት ሱዳን ካብ’ቲ ከባብታት ክወጽኡ ጸዊዓ እያ። ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ላዕለዎት ወታሃደራዊ ሓለፍቲ ሱዳንን ግብጽን ክገብርዎ ዝጸንሑ ልዝብ ወዲኦም፡ ንሓበራዊ ወታሃደራዊ ምትሕብባር ስምምዕ ከምዝተፈራረሙ ይዝከር። ቅድም ክብል’ውን ግብጽን ሱዳንን ናይ ሓባር ወተሃደራዊ ልምምዳት ክገብራ ጸኒሐን እየን።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56310900"} {"headline":"ግብጺ ኣብ ምኽንሻብ ደቂኣንስትዮ ዝሳተፉ ክሳብ 20 ዓመት ማእሰርቲ ከምዝጽበዮም ኣጠንቂቓ","content":"ግብጺ ኣብ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ዝሳተፉ ውልቀሰባት ኣብ ዝቕጽዑሉ ሕጊ ምምሕያሽ ገይራ። ብመሰረት እቲ ሓድሽ ሕጊ ነቲ ተግባር ዝፍጽሙ ክሳብ 20 ዓመት ማእሰርቲ ይጽበዮም። ነቲ ጎዳኢ ልምዲ ንምትራፍ ብዝብል ኣብቲ ተግባር ንዝሳተፉ ኣካላት ዝብየን ግዜ ማእሰርቲ ክውስኽን ክጠብቕን ካቢነ ግብጺ ውሳነ ኣሕሊፉ። ብመሰረት ውሳነ እቲ ካቢነ ድማ ኣብ ምኽንሻብ ደቂአንስትዮ ምስታፎም ዝተረጋገጸሎም ሰባት ክሳብ 20 ዓመት ዝበጽሕ ዝለዓለ ማእሰርቲ ክጽበዮም'ዩ። ኣብ 2016 ዝተገበረ ሓደ ዳህሳስ ከምዘመልክቶ፡ ካብ 15 ክሳብ 49 ዓመት ዕድመ ካብ ዝርከባ ደቂኣንስትዮ ዳርጋ 90 ሚኢታዊት ተኸንሺበን'የን። እታ ሃገር ኣብ 2008 እቲ ተግባር ክፍጸም ከምዘይብሉ ውሳነ ኣሕሊፋ ነይራ። እንተኾነ ካብቲ ጊዜ ንደሓር ይቕጽል ከምዘሎ ይግለጽ። ተጣበቕቲ መሰላት ደቂኣንስትዮ ብወገነን እቲ ሕጊ ገደብ ብኣግባቡ ክፍጸም ናይ ዘይምግባር ጸገም ከምዘሎ የመልክታ። ብመሰረት ሎሚ ዝወጽአ ሓድሽ ሕጊ ዝኾነ ይኹን ኣብቲ ጎዳኢ ልምዲ ተሳትፎ ዝገበረ ውልቀሰብ ማእሰርቲ ከምዝጽበዮ ተሓቢሩ'ሎ። ብርግጽ እቲ ሓድሽ ሕጊ ብባይቶ እታ ሃገርን ፕረዚደንትን ኣቢሉ ክጸድቕ ኣለዎ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/55762113"} {"headline":"ሃገራት ተፋሰስ ናይል ዩጋንዳን ግብፅን ወተሃደራዊ ሓበሬታታት ክለዋወጣ ተፈራሪመን","content":"ሃገራት ተፋሰስ ናይል ዝኾና ኡጋንዳን ግብፅን፡ ወተሃደራዊ ሓበሬታት ንምልውዋጥ ከምዝተሰማምዓ ተገሊፁ። ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኣብ መንጎ ግብጺ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን፤ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ከተማ ኪንሻሳ ዝተኻየደ ዘተ ብዘይ ዝኾነ ፍረ ድሕሪ ምብታኑ'ዩ፡ ክልቲአን ሃገራት ነዚ ስምምዕ ዝፈራረማ ዘለዋ። ሰራዊት ምክልኻል ኡጋንዳ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ላዕለዎት ሰብመዚ ወተሃደራዊ ድሕነት ክልቲአን ሃገራት ኣብቲ ዝሓለፈ ረቡዕ ብምዝታይ ነዚ ስምምዕ ከምዝተፈራረሙ ገሊፁ። “እቲ ሓቂ፡ ኡጋንዳን ግብፅን ሩባ ናይል ብሓባር ዝጥቀማ እየን። ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ዝተርፍ ኣይኮነን''። ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ግብፂ ጀነራል ሳሜሕ ሳበር ኤል ደግዊ ከምዝሓበሮ፡ ''ንኡጋንዳ ዝጸሉ ጉዳይ፡ ንግብፂ’ውን ብተመሳሳሊ ምጽላው ዘይተርፍ ኢዩ” ክብል ተዛሪቡ። ግድብ ህዳሰ፡ ኣብ ሞንጎ ግብፅን ኢትዮጵያን ንዓመታት ሓያል ወጥሪ ክሰፍን መንቀሊ ኮይኑ ይርከብ። ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ፕረዝደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ግብፂ ነቲ ኣካታዒ ዝኾነ ግድብ ህዳሰ ክተፍርሶ ትኽእል እያ ምባሉ ይዝከር። ኢትዮጵያ፡ እዚ ግድብ፡ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክን መሰረት ቁጠብኣን ከምዝኾነ እያ ትገልፅ። ሃገራት ታሕተዎት ተፋሰስ ግብፅን ሱዳንን ብወገነን፡ እዚ ግድብ፡ ናብአን ንዝፈስስ መጠን ማይ ብልዑል ኩነታት ክንክዮ እዩ ዝብል ስግኣት ኣለወን። ሩባ ናይል፡ ካብ ክልተ ሃገራት እዩ ዝብገስ፤ ኡጋንዳ መመንጨዊት ዋይት ናይል ክትከውን እንከላ፡ ኢትዮጵያ ከኣ እቲ ዝዓበየ ብፅሒት ዝሕዝ ብሉናይል መበገሲት እያ። ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ንዓመታት ክካየድ ዝፀንሐ ስሉሳዊ ልዝብ፡ ኣብዚ ሰሙን ብዘይስምምዕ ምብታኑ ይፍለጥ። ኣገዳስነት ግድብ ህዳሰ እዚ ህንጸቱ ኣብ 2011 ዝተጀመረ: 4 ቢልዮን ዶላር ዝውድእ ግድብ፡ ልዕሊ 6,000 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤለክትሪክ ከመንጩ ከምዝኽእልን፡ ክሳብ ሕጂ ድማ 75% ተዛዚሙ ከምዘሎ ይግለጽ። እዚ ግድብ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ሱዳንን ሓያል ወጥሪ ፈጢሩ ከምዝርከብ ተንተንቲ ፖሎቲካ ይሕብሩ። ሰለስቲአን ሃገራት ተደጋጋሚ ርክባት ብምክያድ እኳ እንተዘተያ ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ኣይከኣላን። ግብጺ፡ ኣስታት 90 ሚእታዊት ናይ ማይ ጠለባ ካብ ፈለግ ኒል እተማልእ ብምዃና፡ እቲ ፈለግ መሰረት ህላወኣ ከምዝኾነ እያ እትገልጽ። ግድብ ህዳሰ ምስ ተዛዘመ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ማያዊ ኤለክትሪክ ዘመንጩ ግድብ ክኸውን ትጽቢት ይግበረሉ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56686146"} {"headline":"ግድብ ህዳሰ፡ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ኣብ ኪንሻሳ ዘካየድኦ ዘተ ብዘይስምምዕ ተበቲኑ","content":"ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን፡ ኣብ ጉዳይ ዓብይ ግድብ ህዳሰ፡ ብሸምጋልነት ሕብረት ኣፍሪቃ ንዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ኪንሻሳ ከካይድኦ ዝቐነያ ዘተ፡ ብዘይስምምዕ ተበቲኑ። ነዚ ስዒቡ ሚንስትሪ ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ “ኢትዮጵያ ሃገራዊ ረብሓኣ ኣብ ዝጎድእ ስምምዕ ከምዘይትኣቱ” ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያ፡ “ፍትሓውን ምኽንያታዊ ዝኾነን፡ ናይ ሕዝን ናይ መፃእን ማይ ኣባይ ናይ ምጥቃም መሰላ ዝግድብ ዝኾነ ዓይነት ውዕሊ ኣይትፍርምን” ኢሉ፡ እቲ ሚኒስቴር። ኣብቲ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ዝተኻየደን፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ብተዓዛብነት ዝተሳተፋሉን ዘተ፡ ላዕለዎት ሰብመዚ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ተዘራሪቦም። ካብ ሞንጎ እዚኦም፡ ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሕብረት ኣውሮጳን ኣሜሪካን ብተዓዛብነት ክቕፅላ እንክትስማማዕ፡ ሱዳንን ግብፅን ግና፡ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ መዓረ ግደ ክህልወን ንዝቐረበ ሕቶ፡ ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ተገሊፁ። ኢትዮጵያ፡ “ግደ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘትሕት እዩ” ብምባል እያ፡ ነዚ ሓሳብ ውድቂ ጌራቶ ዝበለ እቲ ሚኒስተር፡ እንተኾነ እቶም ተዓዘብቲ ከይዲ እቲ ልዝብ ክድግፉን፡ ሰለስቲአን ሃገራት ብሓሳብ ምስተሰማምዓ ጥራሕ ሓሳብ ክህቡን ተሰማሚዓ። ኣብ መዛዘሚ እቲ ዘተ ብዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎን ብሕብረት ኣፍሪቃን ንዝቐረበ ረቂቕ መግለፂ፡ ኢትዮጵያ ከምዝተቐበለት ዝሓበረ መግለፂ ሚንስትሪ ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ኢትዮጵያ ፡ ግብፅን ሱዳንን ግና፡ ከምዘይተቐበልኦን፡ “ክልቲአን ሃገራት እቲ ልዝብ እወንታዊ ውፅኢት ከይህልዎ፡ ዕንቅፋት ኮይነን” ብምባል ከሲሱ። ግብፅን ሱዳንን ብወገነን፡ ኣብ ጉዳይ ዓብይ ግድብ ህዳሰ፡ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ የካይድኦ ዝነበረ ዘተ ብዘይውፅኢት ምብታኑ ብምግላፅ፡ ነዚ ድማ፡ ኢትዮጵያ ተሓታቲት እያ ኢለን። ማዕኸን ዜና ሮይተርስ እውን፡ እቲ ብሱዳንን ግብፅን ዝቐረበ ሓሳብ ኢትዮጵያ ከምዘይተቐበለቶ ፀብፂቡ። ሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ግብፂ፡ “እዚ ቅዋም፡ ኢትዮጵያ ብቕኑዕ ልቦና ንምሽምጋል ፖለቲካዊ ድሌት ከምዘይብላ ዘርእይ እዩ” ኢሉ። ሚኒስተር መስኖን ማይን ሱዳን ብወገኑ፡ “እዚ ናይ ኢትዮጵያ ነቓፅ ቅዋም፡ ሱዳን ድሕንነታን ህዝባን ንምሕላው ካልእ ኣማራፂ ክትደልይ ዝገብራ እዩ” ምባሉ፡ ሮይተርስ ፀብፂቡ። ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ፡ ኣብዚ እንደገና ዝተጀመረ ዘተ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ከብፅሕ ዘኽእል ስጉምቲ ስለዘየለ፡ ውፅኢታዊ ክኸውን ከምዘይኽእል ገሊፁ። ሚንስትሪ ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ኢትዮጵያ፡ ኢትዮጵያ፡ እቲ ግድብ ኣብ ምምላእ፣ ኣታሕዛ ማይን መጠን ፍሰትን ንምስምማዕ ድልውቲ ከምዝኾነትን “ክልቲአን ሃገራት ግና፡ እቲ ልዝብ ብፅሒት ማይ ኢትዮጵያ ዝግድብን ኣለና ዝብልኦ ክፍፍል ማይ ንክፀንዕ ኣብ ዘገድድ ስምምዕ እንተድኣ ዘይተበፂሑ ዝብል ቅዋም ምሓዘን” ኣብ ምርድዳእ ከምዘይተበፅሐ ሓቢሩ። ንካልኣይ ዙር ዝካየድ ምምላእ እቲ ግድብ፡ ቅድሚ ሕዚ ብመሰረት ዝተበፅሐ ስምምዕ፡ ኣብ ዝተመደበሉ ግዘ ከምዝካየድ ከኣ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ። እቲ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ኣብ ኪንሻሳ ንኽልተ መዓልታት ክካየድ ዝተዳለወ ዘተ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዘሰማምዕ ነጥቢ ብዘይምብፅሐን፡ ክሳብ ትማሊ ሰሉስ ንሳልሳይ መዓልቲ ከምዝቐፀለ ተገሊፁ። እንተኾነ ብዘይስምምዕ ስለዝተበተነ፡ ኣብ ቀፃሊ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ ክካየድ ትፅቢት ይግበር። ህንፀቱ ካብ ዝጅመር ዓስራይ ዓመቱ ዘቑፀረ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምምላእ ማይን ቀፀልቲ ስራሕትን፡ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ንዓመታት ክካየድ ዝፀንሐ ሽምግልና፡ ፍረ እንከየፍረየ ክሳብ ሕዚ ቀፂሉ ኣሎ። ኢትዮጵያ፡ ኣስታት ሓሙሽተ ቢልየን ዳላር ብምውፃእ እትሃንፆ ዘላ ዓብይ ግድብ ህዳሰ፡ ንክዛዘም 20 ሚእታዊት ይተርፎ፤ ካብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝኸውን ድማ ይግለፅ። እቲ ግድብ ሙሉእ ብሙሉእ ስርሑ እንክጅምር፡ ልዕሊ 5 ሽሕ ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ ኣለዎ። ፕረዝደንት ግብፂ ዓብደል ፋታሕ ኣልሲሲ፡ ኢትዮጵያ ትሃንፆ ብዘላ ግድብ ምኽንያት፡ ግብፂ ንትረኽቦ መጠን ማይ እንተድኣ ዝፀሉ ኮይኑ “ዝገደደ ከባብያዊ ፀገም” ክፍጠር እዩ ክብል፡ ኣጠንቂቑ እዩ። ፕረዝደንት ኣልሲሲ \"ዝኾነ ይኹን፡ ካብ ናይ ግብፂ ማይ ሓንቲ ንጣብ ክወስድ ኣይኽእልን፤ እዚ እንተኾይኑ ድማ፡ ኣብቲ ከባቢ ልዕሊ እቲ ዝግመት ዘይምርግጋእ ክፍጠር እዩ\" ኢሉ። ኢትዮጵያ፡ እቲ ማይ ኣብ ግዝኣታ ውሽጢ ንዝተርፉ ፕሮጀክታት ከምዘይትጥቀመሉ እያ ትሕብር፤ ሱዳን፡ ብፍላይ ከኣ ግብፂ ፡ ዝኾነ ዓይነት ኣብቲ ማይ ዝፍፀም ስራሕ፡ ናተን ፍቓድ እንከይረኸበ ክካየድ ከምዘይብሉ ይገልፃ።","category":"ግብፂ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56659953"} {"headline":"ፖሊስ ኣውሮጳ ነቲ ዝዓበየ መርበብ ዕጸፋርስ በታቲኑ","content":"ሓደ ሲሶ ቀረብ ዕጸፋርስ ኣውሮጳ ዝሽፍን ዝነበረ ዓርሞሽሻዊ መርበብ ምስግጋር 'ቲ ዕጺ ከምዝተበታተነ ፖሊስ ኣፍሊጡ። ኤጀንሲ ፖሊስ ሕብረት ኣውሮጳ፡ በቲ ብርሃን ምድረበዳ ዝተሰመየ ስርሒት (Dubbed Operation Desert Light)፡ ኣብ ሽድሽተ ሃገራት ኣውሮጳ 49 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወ ገሊጹ። ነዚ ዕጸፋርስ ዘቕርብ ግዙፍ መሓውር ከም ዝመርሕ ዝተጠርጠረ ብሪጣንያዊ ዝርከቦም ብዙሓት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ እዩ ተሓቢሩ ዘሎ። ኣብቲ ክልተ ዓመታት ዝወሰደ ስርሒት ልዕሊ 30 ሽሕ ኪሎ ግራም (30 ቶን) ዝምዘን ዕጸፋርስ ከም ዝተታሕዘ ኤጀንሲ ፖሊስ ሕብረት ኣውሮጳ (ዩሮፖል) ኣፍሊጡ። ዩሮፖል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ገዚፍ ኣቕራቢ ጕጅለ ዕጸፋርስ ጕጅለ ንምብትታን፡ ‘ስርሒት ብርሃን ምድረበዳ’ ምስ ሰብመዚ ስጳኛ፡ ፈረንሳ፡ በልጅየም፡ ኔዘርላንድን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ብልፍንቲ ከም ዝሰርሐ ሓቢሩ። ካብ መንጐ እቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ዋህዮታት እዚ ጕጅለ፡ እቶም ሽዱሽተ ብዓለምለኸ ፖሊስ ክድለዩ ዝፀንሑ እዮም። ፖሊስ ስጳኛ ከምዝበሎ፡ ካብቶም ኣብ ቀይዲ ውዒሎም ዘለዉ ሽድሽተ፡ እቲ ሓደ ኣብ ኮስታ ዴል ሶል ዝነብር ዝነበረ ብሪጣንያዊ እዩ። እዚ ኣርሓ ዕጸፋርስ ዝዀነ ጕጅለ፡ ዕጸፋርስን ዘይሕጋዊ ገንዘብን ዘዘዋውር ገዚፍ መርበብ ገበን ከም ዝፈጠረ፡ ዩሮፖል ገሊፁ። እዚ ስርሒት ካብ ካልእ እዋን ብዝተፈለየ፡ ፖሊስ፡ ዝተወደቡ መርበባት ገበን ዕጸፋርስን ዘይሕጋዊ ገንዘብን ንምዝውዋር ዝጥቀምሎም ሚስጥራዊ ዝዀኑ ስልክታት ንምስርሳር ጻዕሪ ዝገበረሉ እዩ። ካብ ደቡብ ኣሜሪካ ተበጊሱ ብኔዘርላንድስ ኣቢሉ ዝኣተወ ዕፀፋርስ ኮከይን፡ ቀንዲ ዒላማ እዚ ምርመራ ኰይኑ፡ መብዛሕትኦም ዋህዮታት እዚ ምዝውዋር ዕጸፋርስ፡ ኣብ 2021 እዮም ኣብ ቀይዲ ውዒሎም። እቶም ዝተረፉ ድማ ኣብዚ ዓመት ካብ 8 ክሳብ 19 ሕዳር፡ ኣብ ሽድሽተ ሃገራት ብዝተኻየደ ልፍንታዊ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ፡ ዩሮፖል ኣፍሊጡ። ፖሊስ ነቶም ኣዘዋወርቲ ክኣስሩ እንከለዉ፡ ዝዀነ ንብረት ኣብ ቀይዲ ውዒሉ ድዩ ዝብል ግልጺ'ኳ እንተዘይኰነ፡ ኣብ ገጽ ዩቲዩብ እቲ ኤጀንሲ ዝተዘርግሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ (ቪድዮ) ግን፡ ጕጅለ መርመርትን ኣኽላባት ምርመራን፡ ብክቡራት መኻይን ዝተመልኡ ገዛውቲ እናፈተሹ የርእይ። መራሒ እዚ ገዚፍ መርበብ ዕፀፋርስ ምዃኑ ዝተጠርጠረ ብሪጣንያዊ፡ ቅድም ክብል ኣብ ስጳኛ ኣብ ቀይዲ ንኸይውዕል ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሃዲሙ ነይሩ። ኣብ ሕቡራት ኢማራት ኰይኑ ድማ ነቲ ገዚፍ መሓውር ክመርሖ ከም ዝፀንሐ መግለጺ ኤጀንሲ ምኽባር ሕጊ ስጳኛ (ሲቪል ጋርድያ) ሓቢሩ። ዩሮፖል፡ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተበጽሐ ሓድሽ ስምምዕ፡ መርመርቲ ኣገዳሲ ሓበሬታ ንኽረኽቡን ገበነኛታት ንኽኣስሩን ኣኽኢሉ እዩ ኢሉ። ሓደ ስሙ ዘይተገለጸ ምንጪ ዩሮፖል ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ምስቲ ሪድዋን ታጊ ዝተባህለ ኔዘርላንዳዊ ሓለቓ ገበን ርክብ ከም ዘለዎ ዝጥርጠር ካልእ ሆላንዳዊ “ዓቢይ ዓሳ” ኣብ ቀይዲ ውዒሉ ኣሎ። ኣኽበርቲ ሕጊ ኔዘርላንድስ እቶም ዕጸፋርስን ዘይሕጋዊ ገንዘብን ብምዝውዋር ዝተጠርጠሩ፡ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብ ኔዘርላንድስ ተመሓላሊፎም ክወሃቡ ከምዝሓቱ ገሊጾም። ኣብቶም ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ብመሰረት ዝተረኽበ መረዳእታ፡ ኣብ ኣውሮጳ ቁጽሪ ተበጻሕነት ኮከይን በብዓመቱ ይውስኽ ከምዘሎ ተንተንቲ ይገልጹ። ኮከይን ምስ ምጥቃም ወይ ምውናን ዝዛመዱ ገበናት’ውን ክውስኹ ተራእዮም'ዮም። ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ኣስታት 3.5 ሚልዮን ኣባጽሕ ዕጸፋርስ ኮከይን ተጠቒሞም እዮም።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ceq2v1pwd71o"} {"headline":"ሰዓት ታይታኒክ፡ ብ97 ሽሕ ፓውንድ ተሸይጣ","content":"ኣብ መርከብ ታይታኒክ ናይ ዝነበረ ሓደ ሰራሕተኛ ፖስታ ዝዀነት ናይ ጁባ ሰዓት ብ98 ሽሕ ፓውንድ ተሸይጣ። 14 ሚያዚያ 1912 እታ መርከብ ምስ ጠሓለት እታ ናይ ኦስካር ስኮት ዉዲ ሰዓት፡ ኣብቲ ኣዝዩ ቆራሪ ማያት ሰሜናዊ ኣትላንክ ናብ በረድ ተቐዪራ እያ ተረኺባ። ድሕሪኡ፡ እታ ሰዓት ኣብ ወርሒ ግንቦት ናብ በዓልቲ ቤቱ ሌይላ ተዋሂባ። እታ ሰዓት ትማሊ ሰንበት ኣብ ደቪዝስ ኣብ ዝርከብ ሄንሪ ኣልድሪጅ ኤንድ ሳንስ ዝተባህለ ትካል ንግዲ ምስ ካልኦት ካብታ ዝጥሓለት መርከብ ዝተረኽቡ መዘከርታታት ተሸይጣ። ኣብ ‘ፈርስት ክላስ’ ዝቐርብ ዝነበረ ዝርዝር መግብታት ዘለዎ ሰነድ ብ50 ሽሕ ፓውንድ ክሽየጥ እንከሎ፡ ዝርዝር ስማት 'ፈረስት ክላስ' ገያሾ ድማ ብ41 ሽሕ ፓውንድ ተሸይጡ። እቲ ዝርዝር ገያሾ፡ ብሓደ ጆርጅ ብሬተን ዝተባህለ ቁማርተኛ ዝውነን ዝነበረ ኰይኑ፡ ንሱ ገንዘብ ንምርካብን ንምፍታንን ኣብ ስግረ-ኣትላንቲክ መራኽብ ዝስቀል ዝነበረ’ዩ። እቲ፡ ነቶም መዘከርታታት ዝሸጠ ትካል ኣንድሪው ኣልድሪጅ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ \"ኣብ ጎኒ ስማት እቶም ሃብታማት ሰባት ስም ከዋኽብቲ’ውን ኣቐሚጡ\" ኢሉ። \"ብፍላይ - ቻርለስ ሄይስ - ኣብ ኣሜሪካ መንገዲ ባቡር ግራንድ ፓሲፊክ ዝውንን ዝነበረ ኣዝዩ ሃብታም ሰብኣይ ኣሎ”። ብሬሬቶን ኣብ ትሕቲ ስም እቲ ሰብኣይ 'ሚልዮነር' ክብል ብደሚቕ ጽሒፉ ኣሎ” ይብል። ብኻልእ ወገን፡ ውቁብ ሸሓነ መግቢ ብ20 ሽሕ ፓውንድ ክሽየጥ እንከሎ፡ ካብቲ 'ኣ ላ ካርት' ዝበሃል ቤት መግቢ ዝተረኽበ ክፋል ዓምዲ ድማ ብ23 ሽሕ ፓውንድ ተሸይጡ። ሄንሪ ኣልድሪጅ ኤንድ ሳንስ ካብ መርከብ ታይታኒክ ዝተረኸቡ መዘከርታታት ብምሻጥ ይፍለጥ። ብ2017፡ ኣብ ‘ፈርስት ክላስ’ መጋቢት ዝነበረት ሓንቲ ሰራሕተኛ ዝተኸደነቶ ናይ ጸጉሪ ካቦት ብ150 ሽሕ ፓውንድ ተሸይጡ’ዩ። ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት፡ ብተሳፋራይ ታይታኒክ ኦስካር ሆልቨርሰን ዝተጻሕፈት ደብዳበ ብ126 ሽሕ ፓውንድ ተሸይጣ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/czkdldzyyl0o"} {"headline":"ኢራን፡ ራፐር ተቓዋሚ መንግስቲ ብሞት ክቕጻዕ ይኽእል እዩ","content":"ኣንጻር መንግስቲ ኢራን ንዝተኻየዱ ሰልፍታት ተቓውሞ ዝደገፈ ኢራናዊ ራፐር፡ ብሞት ከቕጽዕ ብዝኽእል፡ “ኣብ ምድሪ ዝፍፀም ገበን ብልሽውና” ተኸሲሱ። ወዲ 31 ዓመት ራፐር ቱማጅ ሳለይሂ፡ ፕሮፖጋንዳ ብምልባዕ፡ ምስ ጸላኢ ብምትሕብባርን ኣንጻር መንግስቲ ጐነጽ ብምንዕዓብን ተጠርጢሩ ክሲ ከምዝተመስረቶ፡ ሓደ በዓልመዚ ቤት-ፍርዲ ኢራን ተዛሪቡ። እዚ በዓል ስልጣን፡ ሳሌይሂ ቱማጅ ጠበቓ እንከይሃለዎ እዩ ክሲ ተመስሪትዎ ንዝብል ነቐፌታ ይነጽግ። ራፐር ሳለይሂ ኣንጻር መንግስቲ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተፀምቢሩ ክቃወም እንከሎ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስሊ (ቪድዮ) ድሕሪ ምዝርግሑ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ’ዩ ተኣሲሩ። ቱማጅ ሳለይሂ፡ ቅድሚ 10 ሰሙናት ጓል 22 ዓመት ማህሳ ኣሚኒ ዝተበሃለት መንእሰይ፡ ንጽኑዕ ሕጊ ሕጃብ እታ ሃገር ጥሒሳ ብዝብል ብፖሊስ ተኣሲራ እንከላ ሂወታ ድሕሪ ምሕላፋ ዝተወልዐ ናዕቢ ተቓውሞ መንግስቲ ዝድግፍ ደርፊ ራፕ ሰሪሑ እዩ። ኣብ ኢራን ትኹረት ገይሩ ዝሰርሕ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል፡ ኣብዚ ተቓውሞ ዛጊት ብውሑዱ 451 ሰልፈኛታት ከም ዝተቐተሉን 18 ሽሕን 170 ሰባት ከም ዝተኣሰሩን ኣፍሊጡ። እቲ ትካል 60 ኣካላት ጸጥታ ከም ዝሞቱ’ውን ሓቢሩ። እቲ ራፐር ቅድሚ ምእሳሩ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ “ነቐፍቲ ቪድዮታት ምዝርጋሕ፡ ብሓይልታት እቲ ስርዓት ዒላማ ንኽትከውን ስለዝገብር ከቢድ ከም ዝኾነ” ገሊፁ ነይሩ። ኢራናውያን ኣብ ዘሰምብድ ኵነታት ይነብሩ ከምዘለዉ ዝሓበረ ቱማጅ ሳለይሂ፡ “ኢራናውያን፡ ነቲ ስልጣኑ፡ ገንዘቡን ኣፅዋሩን ንምውሓስ ክብል ምሉእ ህዝቢ እታ ሃገር ንምቕታል ድሉው ዝኾነ ማፊያ ስርዓት ይጋጠሙ ኣለዉ” ኢሉ። ቅድሚ ሓደ ወርሒ ሃገራዊ መራኸቢ ብዙሃን ኢራን፡ ራፐር ቱማጅ ሳለይሂ ኣብ ቀይዲ ክኣቱ እንከሎ ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣመሓላሊፉ ነይሩ። ኣብቲ ምስሊ፡ ኣዒንቱ ብጨርቂ ዝተሸፈነ ሰብ ኣብ መሬት ተንበርኪኹ፡ ሳለይሂ ከምዝዀነ ብምሕባር፡ ኣብ ሓደ ሰልፊ ተቓውሞ ኣካላት ፀጥታ ኢራን ንኽሃድሙ ምዝራቡ ጥፍኣት ከም ዝኾነ፡ ብዘንቀጥቅጥ ድምፂ ክዛረብ ይስማዕ። ሓሳብካ ብነጻነት ኣብ ምግላፅ ኣድሂቡ ዝሰርሕ ትካል ኣርቲክል 19፡ ሳለይሂ ብኣስገዳድ ቃል እምነት ከም ዝህብ ምግባር ኰኒኑ። ኣብ ለንደን ዝነብር ዘመድ እቲ ራፐር ዝዀነ ኣዛዴህ ባባዲ፡ ኣብ ልዕሊ ሳለይሂ ንምብያን ስኑዕ መረዳእታ ክቐርብ ከም ዝኽእል ንሲቢሲ ገሊፁ። ኢራናውያን ከየንቲ፡ ንማእሰርቲ እቲ ራፐርን ነቲ ሞት ፍርዲ ከስዕብ ዘኽእል ክሲን ብምቅዋም፡ ብመገዲ ትዊተር ሓሳቦም ይገልፁ ኣለዉ። ብዙሓት ኢራናውያን ከየንቲ ነዚ ተቓውሞታት ብምድጋፎም ብመንግስቲ እታ ሃገር ክእሰሩ እንከለዉ፤ መንግስቲ ካብኣቶም ንውሑዳት ጥራይ እዩ ፈቲሑ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv29vdej4rdo"} {"headline":"ኣብ ዓለም ንዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ሕጂ'ውን ይወዳደር","content":"እቲ ኣብ ዓለም፡ ንዝበዝሐ ዓሰርታት ዓመታት ኣብ ስልጣን ብምጽናሕ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ፕረዚደንት ኢኳቶሪያል ጊኒ፡ ንተወሳኺ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ኣብ ዘኽእሎ መረጻ ተሳቲፉ። ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ንምስታፍ፡ ልዕሊ 300 ሽሕ ህዝቢ ተመዝጊቡ ነይሩ። ወዲ 80 ዓመት ፕረዚደንት ቴዎዶር ኦቢያንግ ንጉዌማ ምባሶንግ፡ ነታ ሃገር ን43 ዓመታት እኳ እንተመርሓ፡ ሕጂ’ውን ስልጣኑ ንምሕዳግ ድልየት ኣየርኣየን። ስርዓት እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ በደል ምፍጻምን ኣሰሮም ምጥፋእን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብምፍጻም ይኽሰስ። ኣብቲ መረጻ፡ ገለ ሕጹያት ተቓወምቲ ሰልፊታት ዝሳተፉ እንተዀኑ’ውን፡ ክዕወቱ’ዮም ዝብል ትጽቢት ግን የለን። ኢኳቶሪያል ጊኒ ብሃብቲ ነዳዲ ዝበልጸገት ሃገር ኰይና፡ ኣገደስቲ መንግስታዊ ሓላፍነታት ብስድራ እቲ ፕረዚደንት ዝተትሓዙ ብምዃኖም፡ ኣብታ ሃገር ጽኑዕ ልዕልነት ክሃንጽ ክኢሉ እዩ። እቲ ፕረዚደንት፡ ኣከዳድናኡ ብምጽብባቕ’ውን ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ ኣውሮጳን ኣሜሪካን ኣዝዩ ዝተደላደለ ህይወት እዩ ዝመርሕ። ሰብ መዚ ብሪጣንያ፡ ልዑል ዋጋ ከም ዘውጽእ ዝንገረሉ ብክቡራት መዓድናት ዝማዕረገ ጓንቲ ማይክል ጃክሰን ከም ዝዓደገ ይዛረቡ። ነቲ መረጻ ኣመልኪታ ርእይቶኣ ንቢቢሲ ዝሃበት ፕሮፌሰር ኣና ሎሺያ ሳ፡ “እቲ መረጻ ናይ ይምሰል’ዩ” ኢላ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊዝበን፡ ኣብ ጉዳያት ፖለቲካ ኣፍሪቃን ስርዓታት ምልኪን መጽናዕቲ እተካይድ ፕሮፌሰር ኣና፡ ዝልወጥ ነገር ኣይህሉን እዩ። ኦቢያንግ ልዕሊ 95 ሚእታዊት ድምጺ ረኺቡ ከም ዝምረጽ ፍሉጥ’ዩ” ኢላ ነይራ። ኣብታ ሃገር፡ ምንቅስቓስ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ምግባር ፍቑድ ኣይኰነን። ናጻ ፕረስ ዝበሃል ኣይፍለጥን፤ ኵሎም ማዕከናት መራኸቢ ብመንግስቲ ወይ ብደገፍቲ መንግስቲ ዝውነኑ እዮም። ፕረዚደንት ኦቢያንግ፡ ብ1979 [ኣ. ኣ] ድሕሪ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ናብ ስልጣን ክመጽእ እንከሎ፡ ድሕሪኡ ገለ ለውጥታት እኳ እንተገበረ፡ ሃብቲ እታ ሃገር ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ኣእቲዩዎ ጸኒሑ ኣሎ። ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ድማ፡ ኣብ ልዕሊኡ ብርክት ዝበሉ ዕልዋታት ተፈቲኖም’ዮም። ሕጊ መረጻ እታ ሃገር፡ “ኦቢያንግ ፈጺሙ ንኸይስዓር ንምግባር ተባሂሉ ዝተቐረጸ’ዩ” ክትብል ፕሮፌሰር ኣና ትዛረብ። ኣብቲ ብ2002 ዝተኻየደ መረጻ፡ ተቓወምቲ ዘይሕጋዊ ተግባራትን ምትላልን ተፈጺሙ’ዩ ኢሎም ገዛእ ርእሶም ካብቲ መረጻ ከግልሉ እንከለው፡ እቲ ፕረዚደንት 97 ሚእታዊት ድምጺ ረኺቡ ከም ዝተዓወተ ተኣዊጁ። ብ2009 ከምኡ’ውን ብ2016 ኣብ ዝተኻየዱ መረጻታት’ውን ተመሳሳሊ ውጽኢት ብምርካብ ተዓዊቱ ተባሂሉ። ፕረዚደንት ኦቢያንግ፡ ኣብታ ሃገር ካብ ዝፍጽሞ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብዝሰገረ ብብልሽውና’ውን ይኽሰስ’ዩ። ወዱ ቴዎዶር፡ ሃብቲ ህዝቢ ንውልቃዊ መነባብሮኡ ብምጥቃም ብዝብል ኣብ ቤት ፍርዲ ፈረንሳ ፍርዲ ተዋሂቡዎ ነይሩ። በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ ሃብቱ ከይንቀሳቐስ ተኣጊዱ። ንሶም ግን፡ እቲ ዝቐርበሎም ክስታት ይነጽጕዎ። ኣብ ብሪጣንያ፡ እገዳ ሕጊ ጸረ ብልሽውና ዝተነብረሉ ምኽትል ፕረዚደንት ዝዀኑ ወዱ፡ ስልጣን ኣቦኡ ክወርስ እዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cq57vqzvjd4o"} {"headline":"ንጾታዊ ዓመጽ ዝገልጹ ሓደስቲ ቃላት","content":"እዚ ጽሑፍ እዚ ብዛዕባ ጾታዊ ዓመጽ መግለጺታት ዝሓዘ እዩ። ብቛንቋ ጣልያን \"ማኖ ሞርታ\" ማለት \"ምዉት ኢድ\" ማለት እዩ። እዚ መግለጺ ብብዝሒ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓይነት ጾታዊ መጥቃዕቲ'ዩ። ማእለያ ዘይብለን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሰብ ዝመልኦ ኣውቶቡስ ወይ ባቡር፡ ገለ ሰባት ኣብ ልዕሊ ውልቀ ኣካላተን ንነዊሕ እዋን ዘቐምጥዎም ኣእዳው ዝገልጽ እዩ። ኣብ ኢጣልያውያን \"ማኖ ሞርታ\" ነዚ ኮነ ኢልካ ዝግበር ባህሪ ብትኽክል የመልክት። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ እውን ተመሳሳሊ ዓይነት መጥቃዕቲ ኣጋጢምወን ክዀና ይኽእላ፤ እንተዀነ ብቛንቋአን ዝገልጻሉ ቃል ዘይክህልወን ይኽእል። \"ጋዝላይቲን\"፡ \"ኣፕስኪርቲን\" ከምኡ’ውን \"ላቭ ቦምቢን\" ዝብሉ ሓደስቲ ቃላት እንግሊዝኛ ንመልክዓት ግህሰት ንምግላጽ ኣብ ጥቕሚ ይውዕሉ ኣለዉ። ናይ 2022 ቃል መዝገበ ቃላት ሚርያም-ወብስተር ተባሂሉ ዝተሰየመ \"ጋዝላይቲን\"፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ መርበብ ሓበሬታኦም ብዝሒ ምድላይ ብ1,740 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ። ኣብ ቲክቶክ፡ #gaslighting 1.9 ቢልዮን ግዜ ዝተራእየ ክኸውን እንከሎ #lovebombing ድማ ዳርጋ 250 ሚልዮን ግዜ ተራእዩ’ዩ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፖርትስማውዝ ላዕለዋይ መምህር ርክብን ተግባራዊ ስነ-ቛንቋን ዝዀነት ዶክተር ኣሌስያ ትራንቸዝ፡ ንዝጸንሑ ዓይነታት ግህሰት ንምግላጽ ዝቕረጹ ሓደስቲ ቃላት ብኸመይ ንጾታዊ ዓመጽ ዝፈታተን መሳርሒ ምዃኖም ተጽንዕ። \"ቋንቋ ነቲ ኣብ መንጐ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘሎ ዘይምዕሩይ ዝምድናታት ዘንጸባርቕ'ዩ ክንብል ንኽእል፡ እዚ ዝምድና'ዚ ድማ ክሕገግን ዳግማይ ክፍጠርን ዝኽእለሉ ቦታ'ዩ\" ትብል። ሓደስቲ ቃላት ምትእትታው ግን ብሓቂ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥመን ግህሰት ንምምካት ክሕግዝ ይኽእል ድዩ? ቢቢሲ 100 ደቂ ኣንስትዮ ካብ ብሪጣንያ፡ ክሳብ ደቡብ ኣሜሪካን ማእከላይ ምብራቕን ንዝፍጸም ጾታዊ መጥቃዕትን ምግፋዕን ንምግላጽ ብዛዕባ እዞም ሓደስቲ መግለጺታት ክዝርግሓ ዝጸንሓ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ኣዘራሪቡ። ኣብ 2020 ብማይከላ ኮል ዝተደርሰት ‘ኣይ መይ ዲስትሮይ ዩ’ ብተሌቪዥን ምስ ተራእየት፡ ኣብ መንጐ ነቐፍቲ ቅጽበታዊ ዓወት ረኺባ እያ። እታ ሽልማት ዝረኸበት ተኸታታሊት ፊልም ብሪጣንያ ግን፡ ድሕሪ ጾታዊ መጥቃዕቲ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዝገበረቶ ጕዕዞ ዝገልጽ ኰይኑ፡ ክንዮ ክሊታት ነቐፍቲ ኣብ ሓቀኛ ዓለም'ውን ጽልዋታት ነይርዋ። ጓል 34 ዓመት ቺሊያዊት ፖለቲከኛን ኣባል ባይቶን ማይተ ኦርሲኒ፡ ብፍላይ ብሓደ ትርኢት ሰንቢዳ፤ ቀንዲ ተዋሳኢት ኣራቤላ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ብዘይ ፍቓዳ ነቲ ኮንዶም ከም ዘውጽኦ ፈሊጣ። ሚስ ኦርሲኒ ድሒራ፡ ብዘይ ስምምዕ ኮንዶም ምእላይ ኣብ ብሪጣንያ፡ ጀርመን፡ ካናዳን ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከባ ግዝኣት ካሊፎርንያን ከም ዓመጽ ከም ዝምደብ ተረዲኣ። \"እዚ ብሓቂ ጾታዊ መጥቃዕቲ ምዃኑ ኣይፈለጥኩን ነይረ\" ትብል ብሞያኣ ኣብ ድሕነት ህዝቢ ማስተርስ ዲግሪ ዘለዋ ጠበቓ ሚስ ኦርሲኒ። ኣብ ቺለ ‘ስቲልቲን’ ከም ገበን ስለዘይቍጸር፡ ብዛዕባኡ ወግዓዊ ኣሃዛት ኣይነበረን። ሚስ ኦርሲኒ ምስ ኣዕሩኽታ፡ ትፈልጦም ሰባትን መሳርሕታን ኣብ ዝተዛረበትሉ ግን፡ እዚ ዶባት ዝሰግር ጉዳይ ምዃኑ ንጹር ኰይኑ፤ ግዳያት ድማ ዝሕግዝ ሕጋዊ ሓለዋ ከምዘይብለን ተገሊጹላ። ‘ስቲልቲን’ ኣብ ሕጊ ቺለ ብግልጺ ክሰፍር ከምዘለዎ ወሲና፡ እማመ ክትነድፍ ጀሚራ። \"ን‘ስቲልቲን’ ዝገልጽ ስጳኛዊ ቃል ንምርካብ ነዊሕ ተኻቲዕና፡ ኣነ ግን ከምኡ ምግባር ኣብየ። እቶም ግዳይ ዝዀኑ ዝነበሩ፡ እቲ ኣምር ኣብ ደገ [ብእንግሊዝኛ] ኣብ ኣገልግሎት ይውዕል ከምዘሎ ክፈልጡ ክኽእሉ ደልየ ነይረ። ሓበሬታ እንተ ኣድልይዎም'ውን ኣብ ኢንተርነት ኣትዮም ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።\" እቲ ናታ እማመ ‘ስቲልቲን’ ኣብ ጥሪ ኣብ ታሕተዋይ ባይቶ ቺለ ተቐባልነት ረኺቡ። ሕጂ ድማ ናብ ሰኔት ተሰጋጊሩ ኣሎ። እቲ ናይ ሚስ ኦርሲኒ እማመ፡ ‘ስቲልቲን’ ብገበን ዝቐጽዕ ዓይነት ጾታዊ መጥቃዕቲ ክገብሮ'ዩ። እዚ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ልዕሊ ቋንቋ ስልጣን ብኸመይ ይመልሳ ከምዘለዋ ከርኢ ይኽእል እዩ ትብል ዶክተር ኣለስያ ትራንቸዝ። \"ብዛዕባ ከም መዝገበ ቃላት ዝኣመሰሉ ነገራት እንተሓሲብና መን እዩ መዝገበ ቃላት ዘዳሉ? ኣብ ታሪኽ፡ ደቂ ተባዕትዮ እዮም።\" \"ደቂ ኣንስትዮ ጸሓፍቲ ወይ ጠበቓታት ወይ ሓካይም ክዀና ኣይፍቀደለንን ነይሩ። እቲ ፍልጠት፡ መስርሕ ትርጕም ምፍጣር፡ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ፍሉይ መሰል እዩ ነይሩ።\" ሚስ ኦርሲኒ፡ ቋንቋ ነተን ግዳያት ግህሰት ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ክጻወቶ ዝኽእል ቀንዲ ተራ ትሰማማዕ። \"ቅድሚ ሕጂ ዘይተሰምዩ ባህርያት ምጽዋዕ፡ ግዳያት ንነብሰን ከም ግዳያት ከለልያ ከኽእል ይኽእል'ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ\" ትብል። \"ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ግዳያት ናይዚ ዓይነት ባህሪ ክዀና እንከለዋ ኣብ ሕግን እገዳ ከምዝተገብረሉ ምእንቲ ክፈልጣን እዚ ገበን ከምዘሎ ንቕሓት ንምፍጣርን ‘ስቲልቲን’ ኣብ ሕጊ ቅጽዓት ክኣትው ደልየ ነይረ። ስለዚ ድማ ክጠርዓ ይኽእላ እየን።\" ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ከመይ ጌረን ውሕስነት ዘይብለን ኰይኑ ከምዝስምዐን ንምቕራጽ እውን ቋንቋ ይጥቀሙሉ ከምዘለዉ ሓንቲ ፖለቲከኛ ሰሜን ኣየርላንድ ትዛረብ። ብሚኒስተር ፍትሒ ነበር ናኦሚ ሎንግ ዝቐረበ ሓድሽ እማመ ጾታዊ ገበናት፡ ኣብ መጋቢት ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ ናብ ሕጊ ተሰጋጊሩ። ‘ዳውንብላውዚን’ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ሓደስቲ ቃላት ዝሓዘ እዩ። ‘ዳውንብላውዚን’ ወይ ‘ኣፕስከርቲን’ ሰባት ኣብ ትሕቲ ስረታትን ክዳንን ደቂ ኣንስትዮን ብዘይ ፍቓድ ወይ ብሕቡእ ቪድዮ ብምቕራጽን ስእሊ ብምስኣልን ዝገብርዎ ግህሰት ንምግላጽ ዝተማህዘ ቃል እዩ። \"ኣዝዩ ፍሉይ ዓይነት ምግፋዕ'ዩ\" ትብል ሚስ ሎንግ። \"ደቂ ኣንስትዮ ንምውራድን ንምርኻስን ከምኡ’ውን ፍርሒ ንምፍጣርን ዝግበር ፈተነ'ዩ።\" ቅድሚ ሕጂ እቲ ገበን ብፍሉይ ኣብ ሕጊ ስለዘይተጠቕሰ፡ ግዳያትን ፖሊስን እንታይ ክግበሩ ከምዝኽእሉ ንምርዳእ ኣጸጋሚ ከምዝገበሩ ሚስ ሎንግ ትዛረብ። \"ጥሕሰት ብሕትውናኻ ከምዘጋጠመካ ምስ እትፈልጥ ኣዝዩ ዘጨንቕ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ ጭንቀትን ውርደትን'ውን የስዕብ፡ ግን ናብ ፖሊስ እንተኼድካ ገበን ምዃኑ ርግጸኛታት ኣይኮኑን።\" ቋንቋ ንባዕሉ፡ ከምኡ'ውን ጾታዊ ትርጕማት ናይታ \"ዳውንብላውዚን\" እትብል ቃል፡ ኣካል ናይቲ ዘተ ከምዝነበሩ ሚስ ሎንግ ትዛረብ። \"ንኣጥባት ወይ ኣፍልቢ ዝምልከት መወከሲታት ክህሉ ድዩ ዝብል ቅሩብ ዘተ ተኻይዱ'ዩ።\" \"ሰባት ኣብ ካምቻ ደቂ ተባዕትዮ ስእሊ ክስእሉ ከምዘይፍትኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ ኰይኑ ተሰሚዑኒ። በቃ ኣይፍጸምን'ዩ፡ [ዘጋጥም] ነገር ኣይኮነን።\" ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንፈለማ እዋን ‘ዳውንብላውዚን’ ፍሉይ ፍጻመ ገበን ዝገበረት ሰሜን ኣየርላንድ እያ። ኮሚሽን ሕጊ፡ እንግሊዝን ዌልስን ነዚ ክስዕባ ጸዊዑ’ዩ። \"ቋንቋ ኣገዳሲ እዩ። ነዞም ነገራት ብኸመይ ከምንገልጾም ኣገዳሲ እዩ\" ትብል ሚስ ሎንግ። \"ሕብረተሰብ ንሓደ ጌጋ ምዃኑ ዝፈልጥዎ ነገር ስም ክህቦ ዘኽእሎ'ዩ፡ ግን ከኣ ብዙሕ ግዜ ስለምንታይ ከም ዝዀነ ንምግላጽ ተቓሊሱ'ዩ።\" ላምያ ሎፍቲ፡ ኣብ ግብጺ መብዛሕትኡ ግዜ ዘይተገልጸ ጉዳያት ዓመጽ ሓዳር ዝኣመሰሉ መዓልታዊ ንደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥመን ግህሰት ትዕዘብ። \"እቲ ጸገም ድማ ደቂ ኣንስትዮ ንባዕለን፡ እቲ ኣብ ልዕሊአን ዝፍጸም ተግባር ዓመጽ  ምዃኑ ከይግንዘባ ይኽእላ እየን\" ትብል። ኣብ ኒው ዊመን ፋውንዴሽን ሓላፊት መደባት ዝዀነት ሚስ ሎፍቲ ኣብ መደባት ሽምግልና ትሳተፍን ንዝተበደላ ደቂ ኣንስትዮ ውሑስ መዕቆቢ ትህብን እያ። ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ኣብ 2018 ዘውጽኦ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ ኣብ ግብጺ 30 ሚእታዊ ካብተን ካብ 15 ክሳብ 49 ዓመት ዝዕድሚአን ዝተመርዐዋን ምስ መጻምድቲ ዝነብራን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዕድሚአን ኣካላዊ ወይ ጾታዊ ናይ ቀረባ መጻምድቲ ዓመጽ የጋጥመን። መብዛሕትኦም ግዳያት ዓመጽ ሓዳር፡ እቲ ፍጻመ ዓመጽ ምዃኑ'ኳ ኣየለልያን። \"እሞ ንመን ከማርራ፡ ብዛዕባ እንታይከ ከማርራ?\" ኢላ ትሓትት። ኣብ ግብጺ ብዓመጽ ዝተፈርዱ ደቂ ተባዕትዮ ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ወይ'ውን ብናይ ሞት ፍርዲ ከይተረፈ ክቕጽዑ ይኽእሉ። ኣብ ሓዳር ዝፍጸም ዓመጽ ግን ኣብ ሕጊ መቕጻዕቲ እታ ሃገር የለን። ትካል ሚስ ሎፍቲ፡ ብፍላይ ኣብ ሓዳር ንዝፍጸም ዓመጽ ዝገልጽ እማመ ንምንዳፍ ሓጊዙ እዩ። እቲ እማመ ናብ ባይቶ ክቐርብ ንኻልኣይ ግዜኡ'ዩ። እቲ ባይቶ ክዛተየሉ ድማ ብትዕግስቲ ትጽበ ኣላ። \"ዓመጽ ኣብ ሕብረተሰብ ይንጸግን ይቕጻዕን፤ ነዚ እዩ ድማ ኣብ ሓዳራዊ ዝምድናታት ክመጽእ ከሎ ነዛ ቃል ንምጥቃም ተቓውሞ ዝረአ። ሓንሳብ 'ናይ ሓዳር ዓመጽ' ዝብል ስያመ ምስ ኣውጻእካሉ፡ ቅጽበታዊ ውግዘት ናይቲ ወዲ ተባዕታይ ይፍጠር። ነቲ ቃል ንባዕሉ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ከርሕቑ ይጽዕሩ ኣለዉ\" ትብል ሚስ ሎፍቲ። ንሳ፡ ኣብ ቋንቋ ዘሎ ድሩትነት ካብ ምውጻእ ፖሊሲ ሓሊፉ ኣብ መዓልታዊ ዝርርባት’ውን ዝጸሉ ምዃኑ ትማጐት። \"ዓመጽ ሓዳር\" ዝብል ትርጕም ዘለዎ \"ኣግተሳብ ዛውጊ\" ዝብል ሓረግ፡ ኣብ 1980ታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግብጻውያን ክጥቀሙሉ ዝጀመሩ'ኳ እንተነበሩ፡ ኣብ ውሑዳት ሰባት ጥራይ ዝተሓጽረ ከምዝነበረ ትዛረብ። ቀስ ብቐስ ነገራት ክቕየሩ ጀሚሮም ኣለዉ። ንሳ፡ ኣብ 2020 ንዝተዘርግሐት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብሰብኣያ ዝተዓመጸትሉ ትርኢት ዝሓዘት ተኸታታሊት ፊልም ኒውተንስ ጌም ሞሳ ትህብ። \"እዚ ህሞት እዚ ደቂ ኣንስትዮ 'እዚ ንዓና ዘጋጥመና እዩ' ክብላኒ ዘስተብሃልኩላ ህሞት'ያ። ገሊአን 'ኣግተሳብ ዛውጊ' ዝብል ቃል ከይተረፈ ክጥቀማ ጀሚረን። ገሊአን ድማ 'እሞ እዚ ይገጥመና ኣሎ እንተበልና ብዕቱብ ክወስዱና እዮም?' ኢለናኒ። ቅድሚኡ ግን ልክዕ ከም ዘይነበረ ስቕ ወይ ሸለል ተባሂሉ’ዩ።\" ስነቋንቋ ዶክተር ኣሌስያ ትራንቸዝ ነቲ ምትእስሳር ተራ ቋንቋ ትጠቅስ፡ እዚ ድማ ብመገዲ መለለዪ ናይ ማሕበረሰብ ስምዒት ንምፍጣር ክሕግዝ ይኽእል። \"እዘን ቃላት ምህላወን ደቂ ኣንስትዮ ተመኵሮታተን ዝተነጸለ ከምዘይኰነ ንኽርድኣን ኣካል ናይቲ ንብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ዝጸሉ ዝዓበየ ስርዓታዊ ጉዳይ ምዃኑ ንምርኣይ ዓቕሚ ዝሃበን ይመስለኒ\" ትብል። \"መጸውዒ ምሃብ፡ ናይ ሓባር ተመክሮ ምዃኑ ዝያዳ ርኡይ ይገብሮ።\" ስራሕ ፕሮፌሰር ሌራ ቦሮዲትስኪ ደቂ ሰባት ከመይ ጌሮም \"ኣዝዮም በላሕቲ\" ከም ዝዀኑ ምምርማር ኰይኑ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክፋል ናይቲ መልሲ ድማ ቋንቋ ምዃኑ ትዛረብ። \"ክውንነት፡ እቶም እንዛረቦም ቋንቋታት ንኣተሓሳስባና ብኸመይ ከም ዝቐርጽዎ፡ ከምኡ'ውን ኣተሓሳስባ ናይቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ብኸመይ ክንቅይሮ ክንፍትን ከም እንኽእል ብዙሕ መሳጢ ሕቶታት የልዕል” ትብል። ንሳ፡ ኣብ መንጐ ኣእምሮና፡ ቋንቋናን ክውንነትን ዘሎ ርክብ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ሕብረተሰብ ብኸመይ ትርጕም ከም እንፈጥር ትምርምር። \"ንሓደ ፍጻመ ወይ ሓደጋ ብኸመይ ትገልጾ፡ ነቶም ኣብዚ ጉዳይ ዝሳተፉ ሰባት ብኸመይ ከም እንወቕሶምን እንቐጽዖምን ብዓቢኡ ክቕይሮ ይኽእል'ዩ\" ትብል። \"ንኣብነት፡ ቀደም ግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ቤት ፍርዲ 'እሞ ሽዑ ድዩ ስዒሙኪ?' ዝብል ሕቶ ይቐርበለን ነይሩ። ንመብዛሕትኦም ሰባት ምስዓም፡ ናይ ብሓቂ ደስ ዝብል ነገር እዩ፤ ግን ምስ ዘይትፈልጦ ሰብ ግዱድ ኣፋዊ ርክብ ክኸውን ከሎ ኣይኰነን። ስለዚ ኣክንድኡ 'ግዴታዊ ኣፋዊ ርክብ' እንተበልካዮ፡ እዚ ኣብ ኣእምሮ ዳያኑ ኣዝዩ ዝተፈልየ ምስሊ እዩ ዝፈጥር - እዚ ፍሉይነት ካብቲ ዝያዳ ፍሉጥ ወይ ሓፈሻዊ ዝዀነ ቃል ዝተፈለየ ስምዒታዊ ምላሽ ይፈጥር።\"","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c0jg48n2l29o"} {"headline":"ስደተኛታት ካሌ፡ ዛንታ እታ ካብ ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳ ሓገዝ ብዘይምርካባ ዝጠሓለት ጃልባ ስደተኛታት","content":"ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ኣብ መትረብ ብሪጣንያ ናይ ማዕበል ጸገም ኣጋጢሙዋ ካብ ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳ ናይ ርድኡና ሓገዝ ሓቲታ ግቡእ ምላሽ ብዘይምርካባ 33 ስደተኛታት ጽዒና ዝጠሓለት ጃልባ እኹል መርትዖታት ከምዘሎ ተሓቢሩ። ካብቲ ሓደጋ ክልተ ሰባት ጥራሕ እዮም ድሒኖም። እቲ ብቢቢሲ ዝተራእየ፡ ናብ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ዝቐረበ ናይ ህጹጽ እዋን ጻውዒት ሓገዝ ናይ መልእኽቲ ዝርርብ ቅዳሕ ከምዘመልክቶ፡ እቶም ስደተኛታት፡ ኣብ ማያት ፈረንሳ ኮይኖም ካብ ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳ ሓገዝ እኳ እንተሓተቱ፡  ብቐጻሊ ናብ ዓዲ-እንግሊዝ ህጹጽ ረድኤት ክሓቱ ብተደጋጋሚ ከምዝተነግሮም ይሕብር። እቲ ናብ ጋዜጣ ለ-ሞንደ ዝለሓዅ፡ ፖሊስ ፈረንሳ ዘካየዱዎ መርመራ ከምዘመልክቶ ከኣ፡ ዋላ’ኳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ፍሉይ ናይ ሓገዝ ሕቶ እንተቐረበ፡ እቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ዝርከብ ሓለዋ ባሕሪ ግን ናብቲ ቦታ ምንም ሓገዝ ከም ዘይለኣኸ ዘመልክት እዩ ዝመስል ። ቢ.ቢ.ሲ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት፡ ሓንቲ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ፡ ኣብ መንጎ ማእከላት ድሕነት ናይ ክልቲአን ሃገራት፡ ናብዝን ናብትን ትመላለስ ከምዝነበረት ዝሕብር መርትዖ እውን ሰሚዑ እዩ። ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ኣብቲ ኣከራኻሪ ባሕሪ መትረብ ኢንግሊዝ ብዙሕ ምስጢራት ክህሉ ይኽእል እዩ። እቲ ኣብ ትሕቲ ኣኻውሕ ካፕ ግሪስ-ነዝ ዝርከብ ኣጻድፍ ብጸፍዒ ማዕበል ይግጨብ ኣሎ። እቲ ብማዕበል ዝሰራሰር ማይ ባሕሪ ከኣ እናተገላበጠ ምስቲ ኣኻውሕ ተጋጭዩ ንድሕሪት ይምለስ። ሓለዋ ባሕሪ ፈረንሳ ድማ ካብ ገማግም እቲ ኣጻድፍ ኮይኖም ኣብ ጸገም ንዝርከባ ጀላቡ እናማዕደዉ ሓገዝ ዝህባ መራኽብ ይልእኹ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 24 ሕዳር 2021 ልክዕ ሰዓት 01: 48  ኣብ ካፕ ግሪስ-ነዝ ኣብ ዝርከብ መቆጻጸሪ ክፍሊ ዝነበሩ ኦፕሬተራት፡ ካብታ ብሓደጋ ማዕበል ትጭነቕ ዝነበረት ጃልባ ናይ መጀመርታ ጻውዒት ቀሪቡሎም። እቶም ተጓዓዝቲ ብልክዕ ኣበይ ቦታ ከምዘለው ብሞባይሎም መልእኽቲ ክሰዱ ተሓቲቶም ነይሮም፤ እንተኾነ፡ እቲ መልእኽቲ ምስ በጽሐ ድሕሪ ዓሰርተ ሓሙሽተ ደቒቕ ኣቢሉ፡ እታ ጃልባ ካብቲ ዝነበረቶ ቦታ ኣስታት ፍርቂ ማይል ኣቢላ ናብ ውሽጢ ማያት ፈረንሳ ኣትያ ነይራ። ብመሰረት እቲ ሰነዳት፡ እቶም ፈረንሳውያን ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኣብ ዶቨር ንዝርከብ ሓለዋ ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ ነጊሮም እዮም። ድሕሪ ዕስራ ደቒቕ  ኣቢሉ ከኣ ካብታ  ጃልባ፡ ብልክዕ ዝነበረቶ ቦታ ምስተሓበረ እቶም ኣብ ዶቨር ዝነበሩ ሓለዋ ባሕሪ ሓገዝ ልኢኾም። ሽዑ እታ ጃልባ ድሮ ኣብ ማያት ብሪጣንያ ኣትያ ነይራ። ይኹን እምበር ኣብታ ጃልባ ዝነበራ ቴሌፎናት ናይ ፈረንሳ ሲግናል እየን ዘርእያ ነይረን። እቲ ሰነዳት ከምዘመልክቶ  ኦፕሬተራት ሓለዋ ባሕሪ ፈረንሳ ንልዕሊ ክልተ ሰዓት ዝኣክል ነቶም ስደተኛታት ናብ ብሪጣንያ ንከይድውሉ ከምዘጠንቀቑዎም እዩ ዘርኢ። ድሕሪ 20 ደቓይቕ ሓለዋ ባሕሪ ብሪጣንያ ፍልይ ዝበለ ሓበሬታ ምስ ረኸቡ ካብ ዶቨር ሓገዝ ልኢኾም። እታ ለ ሞንድ እተባህለት ጋዜጣ ንሓደ ጸብጻብ ፖሊስ ፈረንሳ ብምጥቃስ: ሰበ-ስልጣን ዓዲ እንግሊዝ ሓንቲ ናይ ድሕነት ጃልባ ናብቲ ቦታ ከም ዝለኣኹን ንፈረንሳ እውን ናይ ህይወት ኣድሕን ጃልባ ክትልእኽ ከምዝሓተቱዋን የረድእ። ለ ፍላማንት [ዝተባህለት ጋዜጣ] ግን እታ ናይ ሓገዝ ጃልባ  ከምዘይተላእከት እያ ትገልጽ። ቢቢሲ ንሓለዋ ባሕሪ ክልቲአን ሃገራት እኳ እንተሓተተ፡ እቲ ጉዳይ ገና ኣብ መርመራ ስለዘሎ ካብ ክልቲኦም ወገናት ምላሽ ኣይረኸበን። ሓደ ናይ መንግስቲ እንግሊዝ በዓል ስልጣን ኣብ እዋን መርመራ \"ተወሳኺ ሓሳብ ምሃብ ዘይግቡእ\" እዩ ድሕሪ ምባል ፡ እታ ሃገር \"ነቶም ብድሕሪ’ዚ ሓደገኛ መስቀላዊ መገዲ ዝንቀሳቐሱ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምእታው ምስ ኣህጉራውያን መሻርኽትና ደኺምና ኸይበልና ንሰርሕ ኣለና\" ኢሉ ። ቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ ኣብታ ምሸት እቲኣ፡ ሓደ ፈረንሳዊ ኦፐሬተር፡ ኣብ ጸገም ንዝነበረት ካልእ ጃልባ ይሕግዝ ከም ዝነበረ እዩ  ን ለ-ፍላማንት ሓቢሩ። ለ ሞንዴ ግን እቲ ናይ ፖሊስ ጸብጻብ ነቲ ዝተባህለ ኣብ ምልክት ሕቶ ከምዘእትዎ እዩ ዝገልጽ ። ነቲ ኣብቲ ምሸት ዝግበር ዝነበረ ዝርርብ ዝከታተሉ ዝነበሩ ፈረንሳውያን ክኢላታት፡ ምስ ድምጺ እቶም ሓገዝ ዝሓቱ ዝነበሩ ስደተኛታት፡ ድምጺ ናይታ እትሰባበር ዝነበረት ጃልባን ጫውጫውታ እቶም ተጓዓዝትን ይስማዕ ከምዝነበረ፡ እቶም ሓለዋ ድሕነት ከኣ “ኣጆኹም ንመጽኣኩም ኣሎና” ይብሉዎም ከምዝነበሩ የረጋግጽ። ሓደ ኦፕሬተር ነቲ ደዋሊ፡ እቲ መስመር ምስ ተቛረጸ ከላግጸሉ እንከሎ፡ \" ክትሰምዓኒ ኣይከኣልካን ምሽ፡ ኣይክትድሕንን ኢኻ። 'እጥሕል ኣለኹ' - ክትወጽእ እውን ኣይሓተትኩኻን \"ይብል ። ብቢ.ቢ.ሲ. እተረኽበ ጽሑፍ ከምዘመልክቶ፡ ኣብቲ እዋን በቲ ቦታ እትሓልፍ ዝነበረት ካልእ ጃልባ ጣልቃ ክትኣቱ ሓቲታ እኳ እንተነበረት ኦፕሬተራት ፈረንሳ ከምዝኸልከሉዋ እዩ ዝሕበር። ንጽባሒቱ እቶም ክልተ ስደተኛታት ብገፋፊት ዓሳ መርከብ እዮም ድሒኖም። ምኒስተር ባሕሪ ፈረንሳ ሄርቢቪል፡ \"እዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ማያት ፈረንሳ እንተ ነይሮም፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ከኣ ሸለልትነት እንተ ተራእዩ፡ እገዳ ከስዕብ እዩ\" ክብል ንፓርላማ ሓቢሩ። ቢቢሲ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ሚስተር በርቪል ቃለ-መሕትት ክገብር ሓቲቱ እኳ እንተነበረ፡  ቤት ጽሕፈቱ ግን ኣብ ክንዲ ሕቶ ቃለ መሕትት ምቕባልን ርእይቶ ምሃብን፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ቀጻሊ መርመራ ስለዝርከብ፡ ቢቢሲ፡ እቲ ሚኒስተር ኣብ ባይቶ ንዝሃቦ ሓሳብ ክርኢ ሓቢሩ። ድሕሪኡ ቢቢሲ፡ ምስ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጕዳያት ፈረንሳ ገራልድ ዳርማኒን ቃለ መጠይቕ ክገብር ጠለብ ኣቕሪቡ ነይሩ ግን ምላሽ ኣይረኸበን። እንተኾነ ኣብ ናይ ፈረንሳ ፍርዳዊ ኣካል ዝርከቡ ምንጭታት፡ ኣብዚ እዋን እዚ እቲ መርመራ፡ ኣብቲ ፈረንሳውያን ካብ ሓደጋ ንምድሓን ዝጥቀሙሉ ኣገልግሎት ዝያዳ ከተኵር ዝግባእ እንተ ኰይኑ ይሓስቡ ከምዘለው ንቢቢሲ ሓቢሮም። ማሪያ ቶማስ እትበሃል ንሓደ ካብቶም ዝደሓኑን ልዕሊ ደርዘን ዝዀኑ ስድራ ግዳያትን እትውክል ጠበቓ: ብወገን ብሪጣንያ እውን ህጹጽ መልሲ ከም ዘየለ እያ ትገልጽ። \"እተን ስድራ ቤታት ግዳያት ፡ ግሉጽን ምሉእን ህዝባዊ ሕቶ ክግበር እየን ዝጠልባ ዘለዋ” ትብል። \"እቲ ናይ [ዩከይ] ሓይሊ ባሕሪ ንድሕነት ኣብ ዝተዋፈረሉ እዋን እተገብረ መስርሕ ምድላይን ምድሓንን፡ ምስቲ እታ ጃልባ እትጥቀመሉ ዝነበረት ኣገባብ ምንዳይን ርክብን ዝተሓሓዝ እዩ ።\" ከኣ ትብል። “ኣብቲ ቻነል ኣብ ዝካየድ ናይ ምድሓን ስርሒታት መን ክመርሖ ኣለዎ?” ንዝብል ሕቶ ብእተወሰነ ደረጃ እቲ ፍጻመ ኣበይ ነይሩ?  እቲ ናይ መጀመርታ ናይ ጭንቂ ጻውዒት ከ ካበይ እዩ መጺኡ? ኣየኖትከ እዮም ብዝበለጸ ኽሕግዙ ዝኽእሉ? ዝብል ሕቶታት የልዕል እዩ። ብዝሒ ናይ ንኣሽቱ ጃልባታት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ብኡ መጠን ከኣ እቲ ናይ ምድሓን ጸጋታት እናተጸንቀቐ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ሓንቲ ለይቲ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ንምድሓን ብኽልቲኡ ሸነኽ ናይ ባሕሪ ዘለው ናይ ህይወት ኣድሕን ጕጅለታት ክጽውዑ ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም ፈረንሳውያን እውን ኣብ መጻኢ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ከጋጥም ከምዝኽእል  ኣጠንቂቖም ነይሮም። ኰይኑ ግና፡ እቲ ኣብ መትረብ ኢንግሊዝ ዘጋጥም ናይ ሓላፍነት ሕቶ በዚ ዘሕዝን ፍጻመ ጥራይ ዝውዳእ ከምዘይኮነ ቢቢሲ ተረዲኡ ኣሎ። ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይቲ ዘሕዝን ሓደጋ ምግጣሙ፡ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ክሰግሩ ኣብ ዝፍትኑ ምልእቲ ጃልባ ሰባት ተመሳሳሊ ጸገም ኣጓኒፉ ነይሩ። ብ20 ሕዳር ኣብ ደንኪርክ ናብ ዝርከብ ሓገዝቲ ስደተኛታት ጸገም ዘጋጠሞም ሓገዝ ዝጽበዩ ገያሾ ከምዘለው ናይ ድምጺ መልእኽትታት ተላኢኹ ነይሩ። እቲ ደዋሊ፡ \"ናብ ኩሉ ቁጽርታት ናይ ህይወት ኣድሕን ኢና ደዊልና” ይብል። \"999 ምስ ደወልኩ፡ ናብ ፈረንሳ ደውል እዮም ዝብሉኻ። ናብ ፈረንሳውያን ምስ ደወልካ ከኣ ንኢንግሊዝ ደውል ይብሉኻ። ክልቲኦም ከኣ የስሕቑና  ነይሮም። \" ጸኒሕና ከኣ፡ \"ጐይታይ፡ ገና ንጽበ ኢና ዘለና ክረድኣና ዝመጽአ የልቦን። ሓገዝ ብዘይምርካብና ሰጊእና ኣሎና። በጃኹም ሰብ ለኣኹልና\" ኢሉዎምዎም። ቢቢሲ፡ ብዛዕባ እዚ ክሲ ብዝምልከት ንሰብ መዚ ገማግም ባሕሪ ዓዲ-እንግሊዝን ፈረንሳን ሕቶታት እኳ እንተቕረበ ምላሽ ኣይረኸበን። ራፋኤል ኩዚን ኣብታ ዕለት፡ ኣብታ ብኡቶብያ-56 እትፍለጥ ትካል ግብረ-ሰናይ ዝካየድ ናይ ሓገዝ መደብር፡ ተሓጋጋዚ ተረኛ ስራሕ እዩ ነይሩ ። \"እታ ጃልባ እትርከበሉ ቦታ ብሓቂ ናብ ማያት ዓባይ ብሪጣንያ ዝቐረበ እዩ ነይሩ\" ይብል።  \"ንሓለዋ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ሓቢረዮም። ንሳቶም ከኣ፡ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ዓዲ እንግሊዝ ነታ ጃልባ ናብ ማያት ፈረንሳ ንክትኣቱ ፈቒዱላ እዩ \"ኢሎም። ብድሕሪኡ፡ ንከድሕኖም ሓደ ናይ ፈረንሳ ጃልባ ተላእከ። ራፋኤል፡ \"[ከምኡ እንተዘይግበር] እቲ ኩነታት ብሕማቕ መገዲ ምተወድአ ነይሩ\"ይብል ። \"እቲ ኵነታት እቲ፡ ነቲ ብ24 ዘጋጠመ ነገር ብሓቂ ኣቃሊሕዎ እዩ ።\" ዛና ማማንድ መሓመድ፡  ካብቶም ካብ መትረብ ኢንግሊዝ ዘይተመልሱ: ሓው  ትዋና:  ካብ ዒራቕ-ኩርዲስታን ናብ ፈረንሳ ዝገበሮ ጕዕዞ ንኽምስክር ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ መርመራ ምስክርነት ብምሃብ ተሳቲፉ። \"ህይወትካ ካብ ዝዀነ ይኹን ነገር ንላዕሊ ኣገዳሲ’ዩ ኢለ ሚእቲ ግዜ ነጊረዮ ነይረ\" ኢሉ። \"እዞም ሰባት እዚኦም ግን ከም ሰባት ኣይተራእዩን \" ይብል። ሬሳ ትዋና ኣይተረኽበን፤ ካልእ ዝሕዝን ክፋል ናይቲ ኣብኢ መትረብ ኢንግሊዝ ብዘጋጠመ ሓደጋ  ጠፊኡ ዘሎ ህይወትን ዛንታን እዩ። ኣብዚ ዓመት እዚ፡ እቲ ዘሕዝን ሓደጋ ካብ ዘጋጠም ንደሓር፡ ኣስታት 40,000 ሰባት ብንኣሽቱ ጃላቡ ካብ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ሰጊሮም። ገና ኣብ ትሕቲ ካፕ ግሪስ-ነዝ ኣብ ዝርከብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ዝርከብ ማያት፡ ንኣሽቱ ጃላቡ ሰባት ከሰጋግራ ካብ ገምገም ናብ ገምገም ብሕሹኽታ ይንቀሳቐሳ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cql50pynqd1o"} {"headline":"ኣብ መትረብ ኢንግሊዝ ኣርባዕተ ሰባት ሞይቶም","content":"ካብ ፈረንሳ ስደተኛታት ኣሳፊራ ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ትጉዓዝ ዝነበረት ንእሽቶ ጀልባ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ገጢምዋ ኣርባዕተ ሰባት ሞይቶም። ካብቶም ተሳፈርቲ እቶም ልዕሊ 30 ድማ ድሒኖም።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4nr3j97ddzo"} {"headline":"ቍጽሪ ኣመንቲ ክርስትና ዓዲ-እንግሊዝን ዌልስን ትሕቲ ፍርቂ ወሪዱ","content":"ንፈለማ እዋን፡ ቍጽሪ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ትሕቲ ፍርቂ ህዝቢ ዓዲ-እንግሊዝን ዌልስን ከምዝወረደ ተገሊጹ። ብመሰረት ኣብ 2021 ዝተኻየደ ቈጸራ ህዝቢ (ሰንሰስ)፡ መጠን ሰዓብቲ ክርስትና ምዃኖም ዝገለጹ ሰባት ናብ 46.2 ሚእታዊት ወሪዱ'ሎ። ኣቐዲሙ ኣብ 2011 ኣብ ዝተኻየደ ቈጸራ ህዝቢ ግን 59.3 ሚእታዊት ክርስትያን ምዃኖም ገሊጾም ነይሮም። ብኣንጻሩ፡ ብዝሒ ናይቶም ሃይማኖት ከምዘይብሎም ዝገለጹ፡ ካብ 15 ናብ 37.7 ሚእታዊት ክብ ኢሉ'ሎ። ኣብ 2011፡ 4.9 ሚእታዊት ዝነበሩ ሰዓብቲ እስልምና ድማ ኣብ 2021 6.5 ሚእታዊት (1.2 ሚልዮን) በጺሖም ኣለዉ። እቶም ዝተቘጸሩ ሰባት ብዛዕባ ብሄራዊ (ኢትኒክ) መንነቶም ክገልጹ'ውን ተሓቲቶም ነይሮም። እቲ ቈጸራ ህዝቢ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 10 ዓመት፡ ብኣላይነት ሃገራዊ ትካል ስታቲስቲክስ'ዩ ዝካየድ። እቲ ቈጸራ፡ ነተን ኣካል ዓባይ ብሪጣንያ ዝዀና፡ ስኮትላንድን ሰሜን ኣየርላንድን ዘጠቓልል ኣይኰነን። ኣብ ኪንግስ ኮለጅ እትሰርሕ ፕሮፈሰር ሊንዳ ዉድሄድ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ ግን፡ ኣብቲ ኣብ 2001 ዝተኻየደ ቈጸራ \"ሃይማኖት የብለይን\" ዝብል ምርጫ ሰባት እምነት ከምዘይብሎም ዝገልጽ ኣይኰነን ትብል። \"ገሊኦም ፈጣሪ የለን ኢሎም ዝኣምኑ (ኣተይስትስ)፡ ብዙሓት ድማ ተጠራጠርቲ (ኣግኖስቲክ)- 'ዝፈልጦ ነገር የብለይን ዝብሉ' ክዀኑ ይኽእሉ\" ትብል። ቁጽሪ ናይቶም ካብ ሃይማኖታዊ እምነታት ዝርሕቍ ዘለዉ ሰባት እናበረኸ ክመጽእ ምጽንሑ ይግለጽ። ብዛዕባ ብሄራዊ (እንኮላይ ብሕብሪ) መንነቶም ብዝምልከት፡ 81.7 ሚእታዊት ነበርቲ ዓዲ-እንግሊዝ (ኢንግላንድን) ዌልስን ጸዓዱ ምዃኖም ገሊጾም። ቅድሚ 10 ዓመታት ግን 86 ሚእታዊት'ዮም ጸዓዱ ምዃኖም ሓቢሮም። ብዘይካ'ዚ፡ 74.4 ሚእታዊት ድማ፡ ጸዓዱ፡ እንግሊዝ፡ ስኮትላንዳውያን፡ ሰሜን ኣየርላንዳውያን ወይ ብሪጣንያውያን ምዃኖም ይገልጹ። ካብኡ ቀጺሉ ዝዓበየ መንነት ናይቶም 9.3 ሚእታዊት ዝበጽሑ ኤስያውያን ኰይኑ፡ ቍጽሮም ካብ 4.2 ናብ 5.5 ሚልዮን ክብ ኢሉ'ሎ። ጸለምቲ፡ ጸለምቲ ብሪጣንያውያን፡ ጸለምቲ ዌሊሽ፡ ካርቢያን ወይ ኣፍሪቃውያን ምዃኖም ዝገለጹ ድማ ካብ 1.8 ኣብ 2011 ናብ 2.5 ወሲኾም ኣለዉ። እዚ ማለት ቁጽሮም ካብ 990,000 ናብ 1.5 ሚልዮን ወሲኹ። ሓንቲ ካብ 10 ስድራቤታት፡ ካብ ዝተፈላለየ ዓሌታት ዝተዳቐለት ምዃና'ውን እቲ ሓድሽ ቈጸራ ኣመልኪቱ'ሎ። ብሃገራዊ መንነት ክርአ እንከሎ ድማ፡ እቶም ዝበዝሑ ፖላንዳውያን (ፖሊሽ)፡ ካብኡ ቀጺሎም ድማ ሮማንያውያን ምዃኖም ተጠቒሶም ኣለዉ። ለንደን እታ ዝለዓለ ምዕሩይነት ሃይማኖታት ዘለዋ ምዃና'ውን እቲ ቈጸራ ኣረጋጊጹ'ሎ። ልዕሊ 25.3 ሚእታዊት ነበርቲ እታ ከተማ ሃይማኖቶም ካብ ክርስትና ወጻኢ ምዃኑ ሓቢሮም። ኣብቲ ብ21 መጋቢት 2021 ዝተኻየደ ቈጸራ ህዝቢ፡ ልዕሊ 24 ሚልዮን ሰባት ተሳቲፎም ነይሮም።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cl7qj5kdljpo"} {"headline":"እንግሊዝ ኣብ ጐደና ንዝፍጸም ጾታዊ ትንኮያ ብማእሰርቲ ክትቀጽዕ’ያ","content":"እንግሊዝ ኣብ ጐደናታት ንዝፍጸሙ ጾታዊ ትንኮያታት ክሳዕ ክልተ ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ከምእትቐጽዕ ኣፍሊጣ። ንዝኾነ ሰብ ምትንኳይ፡ ኣብ መገዲ ምክትታል ይኵን መገዲ ምዕጻው፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ተመሳሳልቲ ተግባራት ብገበን ንምቕጻዕ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ። “ኵላተን ደቀ’ንስትዮ ኣብ መገዲ ኣብ ዝጓዓዛሉ ውሕሰነት ክስመዐን ይግባእ” ክትብል ነቲ ሕጊ እትድግፍ ኣባል ባይቶ እታ ሃገር ሰኤላ ብሬቨርማን ተዛሪባ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ቀደሙ’ውን ጾታዊ ትንኮያ ገበን ከምዝዀነ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ መገዲ ዝፍጸሙ ትንኮያታት ናይ ገዛእ ርእሱ ገበን ኰይኑ ግዳያት መጥቃዕቲ ከጋጥመን እንከሎ ንፖሊስ ብቐጥታ ከመልክታ ዘበራትዕ ክኸውን ትጽቢት ይግበር። እታ ኣባል ባይቶ ኣስዒባ፡ “ድልየት ግዳያት ቀንዲ ርእሰ ጉዳይ ውሳነና ገይርና ንሰርሕ ኣለና። ብኻልእ ኣዘራርባ እቶም ነዚ ተግባራት ዝፍጽሙ ገበነኛታት ዝግባኦም መቕጻዕቲ ክረኽቡ’ዮም፡” ኢላ። ዩጎቭ ዝተበሃለ ትካል ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ንቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ክልተ ሲሶ ዝዀና ደቀ’ንስትዮ ኣጋምሸት ኣብ መገዲ ክጓዓዛ እንከለዋ ውሕሰነት ከምዘይስመዐን ገሊጸን። ትሕቲ 34 ዓመት ዝዕድመአን ደቀ’ንስትዮ ግዳያት ጾታዊ ትንኮያ ናይ ምዃን ዕድለን ልዑል’ኳ እንተዀነ፡ ናብ ፖሊስ ከይደን እቲ ዝገጠመንናይ ምዝራብ ዕድለን ግን ትሑት ከምዝዀነ መጽናዕቲታት የረድኡ። ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ሓንቲ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ለንደን እናተጓዕዘት ብፖሊስ ተዓፊና ዝተቐተለት ሳራ ኤቨርድ፡ ድሕነት ደቀ’ንስትዮ ናይ ምውሓስ ጉዳይ ኣብ ሕቶ ምልክት ኣትዩ’ዩ። ድሕሪ 6 ወርሒ'ውን፡ መምህር ቀዳማይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝዀነት ጓል 28 ዓመት ሳቢና ነሳ፡ ኣብ ደቡባዊ ለንደን ብሓደ ዘይትፈልጦ ሰብ ተቐቲላ ከምዝተረኸበት ይዝከር።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cxwe18rxxjgo"} {"headline":"እንግሊዝ፡ ስደተኛታት ብዘይሕጊ ከምዝተኣስሩ ተቓሊዑ","content":"ኣብ ማእከላት ስደተኛታት እንግሊዝ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝተኣስሩ ኣማኢት ስደተኛታት ከምዝነበሩ ቢቢሲ ዝረኸቦ ኢመይላት ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ኣቃሊዑ። እተን መዳጐኒ ማእከላት ኣስታት 450 ሰባት ንምሓዝ ዘገልግላ ክዀና እንከለዋ፡ ካብቲ ኣብ ማንስቶን ዝርከብ መሳለጢ ጉዳያት ስደተኛታት ዘጋጠመ \"ልዕሊ ዓቐን ዋሕዚ\" ተባሂሉ ኣብ ሓደ ካብቶም ኢመይላት ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ኢመይል፡ ምእሳሮም \"ሕጋዊ ከምዘይኮነ\" ዝገልጽ ኰይኑ፡ \"ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ናብ ሆቴላት ከነግዕዞም ኣለና\" ይብል። ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ቍጽሪ ብንኣሽቱ ጀላቡ ዝመጹ ሰባት ኣብ ልዕሊ ስርዓተ መስርሕ ዑቕባ \"ዓቢይ ጸቕጢ\" ከምዘሕደረ ይሕብር። \"ነቶም ሰባት ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ናብ ሆቴላት ወይ ካልእ መንበሪ ኣባይቲ ንምግዓዝ ከይተሓለለ ከምዝሰርሐ\" ድማ ገሊጹ። እቲ ኢመይል ብ4 ሕዳር ዝተላእከ ኰይኑ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሱኤላ ብራቨርማን ኣብቲ ቦታ ንዝፍጠር ልዕሊ ዓቐን ጽቕጥቅጥ ክትቈጻጸሮ ጸቕጢ ይግበር ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናብ ማንስቶን ዝበጽሓትሉ መዓልቲ እዩ። ተካኢት ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ያቬት ኩፐር፡ እቶም ኢመይላት \"ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ሕጊታት ይጠሓሱ ምህላዎም ከምዝፈልጥ ዘርእዩን ኣቐዲሞም ውጥን ዘይምግባሮም ከመይ ነቲ ኵነታት ናብዚ ከምዘብጽሖ ዘቃልዕን'ዩ\" ኢላ። \"ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ኣብ ትሕቲ መምርሒ [ሱኤላ ብራቨርማን] ነቲ ስርዓተ ቍጽጽር ስሒትዎ ከምኡ’ውን ንከፋሊ ግብሪ ልዑል ሕጋዊ ወጻኢታት ፈጢሩሉ\" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ። ኣብ ማንስቶን ኣስታት 4000 ሰባት ኣብ ቴንዳታት ተኣሲሮም ከምዘለዉን እዚ ድማ ልዕሊ ዓቐን ጸቕጥን ሕማምን ከምዘስዓበ ኣብ ጥቅምቲ ተቓሊዑ ነይሩ። ኣብ መጀመርታ ሕዳር ድማ፡ ካብ 450 ክሳብ 500 ሓተትቲ ዑቕባ \"ማንስቶን 'ኦቨርፍሎ'\" [ዕልቕልቕ ማንስቶን] ብዝብል ናብ ማእከላት ምእላይ ስደተኛታት ከምዝተሰጋገሩ ኢመይላት ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት የመልክቱ። \"መንነቶም ምፍላጥ እንተዘይተኻኢሉ እንተበዝሐ ን5 መዓልታት ጥራይ እዮም ክእሰሩ ዝኽእሉ፡ ስለዚ ድሕሪ ሕጂ ምእሳሮም ሕጋዊ ኣይኮነን\" ዝብል ጽሑፍ ኣብ ሓደ ኢመይል ሰፊሩ’ሎ። \"መብዛሕትኦም ንሓያሎ ሰሙናት ኣብኡ ጸኒሖም'ዮም፡ ብዝተኸኣለ መጠን ብቕልጡፍ ናብ ሆቴላት ከነግዕዞም ኣለና...\" ድማ ይብል። ማንስቶን ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ እንግሊዝ ንዝኣትዉ ስደተኛታት ብቕልጡፍ ጉዳዮም ንምፍጻምን ክፍትሑ ንምግባርን ዝተዳለወ እዩ። ተቘጻጸርቲ ግን ብዛዕባ ቍጽሪ ናይቶም ንነዊሕ እዋን ኣብ \"ጸቢብን ዘይምቹእን ኵነታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብዝግባእ ብዘይስልጠና ሰራሕተኛታት ቍጽጽር እናተገበረሎም\" ተኣሲሮም ዘለዉ ሰባት ስክፍታኦም ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም። ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ብዛዕባ መንበሪ ንሓተትቲ ዕቕባን ጉዳዮም ናይ ዘይተፈጸመሎም ስደተኛታትን ዝምልከት ብኮሚተ ባይቶ ሎርድስ ረቡዕ ሕቶታት ክቐርበላ እዩ። ሓደ ን24 መዓልታት ኣብ ማንስተን ተኣሲሩ ዝነበረ ሰብኣይ፡ ነቲ እሱራት ሰላማዊ ክብሉ ዝገለጽዎ ተቓውሞ ስዒቡ ብሓደ በዓል ስልጣን መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ይዛረብ። ፖሊስ ኬንት ድማ ነቲ ክሲ ይምርምሮ ምህላዉ ተፈሊጡ’ሎ። ቢቢሲ ብሰራሕተኛታት እቲ ማእከል ዝተሳእሉ ስእልታት ዝረኸበ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ናይቲ ሰብኣይ ብደም ዝተሸፈነ ገጹን ዝሓበጠ ኣፍንጫኡን የርኢ። እቲ ተቓውሞ ብ27 ጥቅምቲ ብሰራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ምስ ተበተነ፡ ብሓደ በዓል ስልጣን ኣብ ክሳዱ ከምዝተታሕዘ ብምዝኽኻር \"ዝነበረኒ ሓይሊ ተጠቒመ ንኸይሓንቀኒ ኣእዳዉ ክፍንጽጐ ነይሩኒ” ክብል ነቲ ኵነታት ገሊጹ። \"ኣእዳዉ ምስ ኣልቀቕክዎ ደፊኡኒ ኣብ ልዕሊ ካልእ ሰብ ወዲቐ። ሽዑ ናብ መሬት ወደቕኩ፡ ሓደ ፖሊስ ብብርኩ ርእሰይ ጸቒጡ ኣፍንጫይ ሰይሩኒ። ካብታ ህሞት ንደሓር ድማ ውነይ ስሒተ\" ኢሉ። ቢቢሲ ንኻልኦት ሓሙሽተ እሱራት ኣዘራሪቡ፣ ነቲ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ከምዝረኣዩ ብምሕባር እቲ ሰብኣይ ንዝብሎ ኣረጋጊጾም። ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ግን፡ እቲ ክስታት ምስቲ ብዛዕባ ፍጻመታት ዘለዎ ሓበሬታ ዝሰማማዕ ከምዘይኰነ ይገልፅ። \"ኣብቲ እዋን እንታይ ከም ዘጋጠመ ንምፍላጥ ቀጻሊ መርመራ ይካየድ ኣሎ። ኣብዚ ሕጂ ኴንና ተወሳኺ ርእይቶ ክንህብ ግቡእ ኣይኰነን\" ክብል'ውን ኣፍሊጡ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ck545wl041lo"} {"headline":"ሬሳ ክልተ ዕሸላት ኣብ ገዛ ተረኺቡ፡ሰለስተ ሰባት ተኣሲሮም","content":"ኣብ ሓደ ገዛ ሬሳ ክልተ ቈልዑ ድሕሪ ምርካቡ፡ ፖሊስ ብሪድገንድ ንሰለስተ ዝጠርጠሮም ሰባት ኣሲሩ። ሰብመዚ ፖሊስ፡ ዊልድሚል ብሪድገንድ፡ደቡብ ዌልስ ቀቅድሚ ሰዓት ሸሞንተ ምሸት ኣብ ብሪድገንድ ናብ ዝርከብ ሓደ ገዛ ደዊሎም። ክልተ፡37 ከምኡ'ውን 47 ዝዕድመኦም ሰብኡትን ሓንቲ 29 ዝዕድመኣ ጓለንስተይትን ንምውላድ ናይቶም ዕሸላት ክሓብኡ ፈቲኖም ብዝብል ክሲ ተጠርጢሮም ተኣሲሮም። ሳፕት ማርክ ኣትወል ዝተባህለ ኣባል ፖሊስ ደቡብ ዌልስ፡ “ዘሰቅቕ” ክብል ነቲ ኵነታት ድሕሪ ምግላጽ፡ ዝዀነ ብዛዕባ’ዚ ተጓንፎ ሓበሬታ ዘለዎ ሰብ ንፖሊስ ክሕብር ተማሕጺኑ’ሎ። \"ሰፊሕ መርመራታት ስለዝቕጽል ኣብቲ ከባቢ ህላወ ፖሊስ ክቕጽል'ዩ፤ ዝዀነ ሓበሬታ ወይ ስክፍታ ዘለዎ ሰብ ምስ መኮንናት ፖሊስ ክዘራረብ ነተባብዕ\" ክብል ወሲኹ ገሊጹ። ብተወሳኺ እቶም ሰለስተ ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክጸንሑ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72nwjrgx2wo"} {"headline":"ክርስትያኖ ሮናልዶ ካብ ማንቸስተር ዩናይትድ ክወጽእ እዩ","content":"ፖርቱጋላዊ ኣጥቅዓይ ክርስትያኖ ሮናልዶ ካብ እንግሊዛዊት ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ ክወጽእ ምዃኑ ተገሊጹ። እዚ ዝተገለጸ፡ ሮናልዶ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ኣብ ዝገበሮ ኣዘራራቢ ቃለመጠይቕ ነታ ክለብ ክነቅፍ እንከሎ ንኣሰልጣኒ ኤሪክ ተን ሃግ ኣኽብሮት ከምዘይብሉ ድሕሪ ምግላጹ እዩ። ክልቲኦም ወገናት ምውጻእ ሮናልዶ፡ “ብክልተኣዊ ስምምዕ” ዝተበጽሐ ከምዝዀነ ሓቢሮም። ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ እቲ ተጻዋታይ ኣብ ኦልድትራፎልድ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት ንዅሉ ኣበርክቶ ምስጋናኣ ገሊጻ። እቲ መግለጺ እታ ጋንታ ወሲኹ፡ “ንእኡን ንስድራኡን ሰናይ ምንዮቱ” ገሊጹ። “ነፍሲ ወከፍ ኣባል ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ምዕባለ እታ ጋንታ ኣብ ትሕቲ ኤሪክ ተን ሃግ” ብምትኳር ክቕጽል ምዃኑ'ውን ሓቢሩ። ኣብዚ እዋን ኣብ ጸወታታት ዋንጫ ዓለም ንምስታፍ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ፖርቱጋል ብምዃን ኣብ ቐጠር ዝርከብ እቲ ወዲ 37 ዓመት፡ ሓሙስ ኣንጻር ጋና ኣብ ዝካየድ ጸወታ ሓለቓ ጋንታ ሃገሩ ኰይኑ ክስለፍ ትጽቢት ይግበር። ሰሙናዊ 500 ሽሕ ፓውንድ ዝኽፈል ሮናልዶ፡ ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ ዘለዎ ውዕሉ ከብቅዕ ሸውዓተ ኣዋርሕ ዝተርፎ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ዝመጽእ ጥሪ ኣብ ዝጅምር መስኮት ምስግጋር ተጻወትቲ ምስ ሓዳስ ጋንታ ክፍርም ይኽእል። ሮናልዶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ ድሕሪ ዝገበርናዮ ዝርርብ፡ ውዕልና ኣቐዲምና ከነብቅዕ ተሰማሚዕና ኣለና፡” ኢሉ። “ንማንቸስተር ዩናይትድ አፍቅራ እየ፡ ነቶም ደገፍቲ’ውን አፍቅሮም እየ፤ እዚ ፍጹም ዝልወጥ ኣይኮነን። እንተዀነ ሓድሽ ብድሆ ከናዲ ቅኑዕ ግዜ ኰይኑ እስምዓኒ። “ነታ ጋንታ ኣብ ዝቕጽል ጸወታታትን ኣብ መጻኢን ዓወት እምነየላ፡” ኢሉ። ሮናልዶ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብቲ ምስ ቶክ ቲቪ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ “በታ ጋንታ ከምዝተጠለመ” ከምዝስምዖን ካብታ ጋንታ ክወጽእ ጸቕጢ ይግበሉ ከምዘሎ ከምዝስምዖን ተዛሪቡ ነይሩ። ብዘይካ’ዚ ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ነበር ሰር ኣሌክስ ፈርጉሰን፡ ኣብ 2013 ነታ ጋንታ ካብ ዝገድፋ ንደሓር ኣብታ ጋንታ ምምሕያሽ ከምዘይተገብረ ተዛሪቡ። ማንቸስተር ዩናይትድ ነዚ ኣመልኪታ ብዓርቢ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ “ግቡእ ስጕምትታት ምውሳድ ከምዝጀመረት” ሓቢራ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cnd54w11lplo"} {"headline":"‘ናብ ብሪጣንያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምእታው እንተዘይፍትን ምሓሸኒ’","content":"“ዕቑባ ኣይደለኹን፤ ናብራይ ንምቕያር ከምዝተሰደድኩ ነጊረዮም” ይብል ኣርተን። “ኣቑሑትና ዝሓዘ ሳንጣ ፕላስቲክ ሂቦምና፤ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ቲራና ክትወርድ ኢኻ ተባሂለ።” ካብ ካልኦት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተዉ ኣልባንያውያን ብዝተፈለየ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ እዩ ናብ ሃገሩ ተሰጕጉ። ካብ ኣዝማዱን ኣዕሩኽቱን ብዝተለቅሖ ገንዘብ፡ ልዕሊ 4 ሽሕ ዶላር ንዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ብምኽፋል በቲ ሓደገኛ መንገዲ መትረብ እንግሊዝ ተጓዒዙ። ነዚ ሓቀኛ ሽሙ ብዘይኮነ ኣርታን ክጽዋዕ ዝመረጸ ኣብ ሰላሳታት ዝርከብ ውልቀ ሰብ፡ ኣብ ጥቓ ኢንዱስትሪያዊ ከባቢ ርእሰ ከተማ ኣልባንያ ረኺብናዮ። “እቶም ኣሰጋገርቲ ካራሩን ሸጓጉጥን ዓጢቘም ነይሮም። ‘ዝዀነ ነገር ብቪድዮ ከይትቕድሑ፣ ከይንረኣይ ሽጋራ እውን ከይተትክኹ ኢሎም የፈራርሑና ነይሮም” ይብል። እንተዀነ ነዚ ምፍርራሕ ሸለል ኢሉ፡ ኣብ ከባቢ እቲ መትረብ ዝተወሰኑ ምስልታት ቀዲሑ። ናብ ብሪጣንያን ጀርመንን ዝግበር ዘይሕጋዊ ጕዕዞ፡ ብዙሓት ኣልባንያውያን ዝምነይዎ እዩ። ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ልዕሊ 12 ሽሕ ኣልባናውያን ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ብሪጣንያ ኣትዮም። ካብ ሓንቲ ሃገር በዚ መንገዲ ክንድዚ ስደተኛታት ክኣትዉ ንፈለማ ግዜ እዩ። ብገምጋም ልዕሊ ፍርቂ ኣልባንያውያን ዕቁባ ይረኽቡ እዮም። “በቲ መትረብ ዝግበር ጕዕዞ ስቓይ እዩ” ይብል ኣርታን። ኣዐርዩ ቆራሪ፡ ማዕበላውን ዘፍርሕን ነይሩ። “20 ደቒቕ ምስተጓዓዝና ሓንቲ ጃልባ ፖሊስ ፈረንሳ መጺኣትና። ካብ 200 ሜትሮ ርሕቀት ዝኸውን ተኸታቲሎምና። ንሰለስተ ወይ ልዕሊኡ ሰዓት ዝኸውን ጸኒሖም። ድሕሪኡ ናብ ማያት ብሪጣንያ ሰጊርና፤ ንፖሊስ ብሪጣንያ ጸዊዕና።” ሰብመዚ ብሪጣን ብጽቡቕ ከምዝተቐበሉዎም ኣርታን ይዝክር። ከምቶም ኣብዚ ዓመት ናብታ ሃገር ዝሰገሩ ሰደተኛታት፡ ንሱ እውን ኣብቲ ማንሰን ዝተባህለ መዕረፊ ስደተኛታት ኣትዩ። ቁጽሪ ስደተኛታት ኣብ ዝበዝሓሉ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ኣብቲ 1600 ሰባት ዝሕዝ ማእከል፡ ኣስታት 4 ሽሕ ሰባት ተዓቝቦም ነይሮም። በዝሒ እቶም ስደተኛታት ዘሰንበዳ ጸሓፊት ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ ብሪጣንያ ስዌላ ብራቨርማን፡ ነቲ ኵነታት “ወራር” ክትብል ምግላጻ ኣዘራራቢ ኮይኑ ነይሩ። ኣርታን፡ ዋላ'ኳ ንመግለጺ እታ ሚኒስተር እንተዘይተቐበሎ፡ ንምንታይ ናብ ብሪጣንያ ከምዝኣተወ ግን ኣይሓብአን። “ነታ ቃለ መጠይቕ ዝገበረትለይ ሰበይቲ ‘ብዘይሕጋዊ መንገዲ ከምዝኣተኹ ይፈልጥ እየ፤ ንጸወታ ግን ኣይኮንኩን መጺአ። ስራሕ ደልየ እየ መጺአ። ዕቑባ ኣይደለኹን” ኢለያ ይብል። “ናብራይ ከመሓይሽ ከምዝተሰደድኩ ነጊረዮም። ኣቦይ ጉዱእ ኣካል እዩ። ን15 ዓመታት ንጉዱኣት ብዝወሃብ ጥሮታ እዩ ዝናበር። መድሃኒት ንምግዛእ'ኳ ኣይኣኽሎን።” ናብታ ሃገር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ምእታዉ ምፍላጡ ሓቲተዮ። “እወ እፈልጥ፤ ስሩዕ ሰነድ፡ ቪዛን ማሕተምን ዘይብልካ ናብ ካልእ ሃገር እንተኣቲኻ ዘይሕጋዊ ኢኻ።” “ሕጋዊ መንገዲ ከምዘሎ እፈልጥ እየ። ግን እቲ ዝሰለጠን ዝረኸሰን መንገዲ መሪጸ” ይብል። ካብቶም ኣርታን ዝተሰጐገሎም ምኽንያታት እቲ ሓደ፡ ብዛዕባ ናብ ብሪጣንያ ዝተጓዓዘሉ ሓቀኛ ምኽንያት ምዝራቡ እዩ። ዕቑባ ክሓትት ኣይፈተነን፤ ክሰርሕ ከምዝኸደ እዩ ተዛሪቡ። ናብ ዓዱ ይመልስዎ ከምዘለዉ እውን ኣይፈለጠን ነይሩ። “ንደገ ኣውጺኦምና፤ ብፖሊስ ተኸቢብና። ኣብቲ እዋን ክገልጾ ብዘይክእል መንገዲ ሓሪቐ ነይረ። ሓንጐለይ ክነቱግ ከምዝበለን ምንም ክገብር ከምዘይክእልን ይስመዓኒ ነይሩ።” ኣርታን ሕጊ ብሪጣንያ ብምጥሓሱ ከምዝተባረረ እዩ ዝኣምን። ናብ ዓዱ ምምላሱ ከይኣክል ኣብ ዝቕጽሉ ሰለስተ ዓመታት ናብ ዝዀነት ኣውሮጳዊት ሃገር ክኸይድ ኣይፍቀዶን እዩ። “ካብታ ናብ ኣውቶብስ ኣትየ ይስጐግ ከምዘለኹ ዝፈለጥኩላ ህሞት ክሳብ ናብ ኣልባንያ ዝኣቱ፡ ኣብ ምሉእ ጉዕዞ፡ በኽየ።” ጉዳይ እቲ ብንኣሽቱ ጀላቡ ዝግበር ጕዕዞ፡ ኣብ ብሪጣንያ ሓያል ክትዕ እዩ ፈጢሩ ዘሎ፤ ገሊኦም እቲ ጸገም ተጋኒኑ እዩ ክብሉ እንከለዉ፡ ካልኦት ከቢድ ቅልውላው ከምዝዀነ ይገልጹ። ዳርጋ ኵሎም ግን ብሓደ ነገር ይሰማምዑ፤ እቶም ካብዚ ኵነታት ዘትርፉ ዘለዉ እቶም ኣሰጋገርቲ ምዃኖም። ኣርታን እቲ ዝገበሮ ጕዕዞ፡ ኣብ ዕዳ ኣሽሓት ፖውንድ ከምዝሸመሞን ከምዝናሳሕን እዩ ዝገልጽ። ካልኦት ነቲ ጕዕዞ ክፍትንዎ እውን ኣይመክርን።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c806d6e9prpo"} {"headline":"34 ዓመት ዝሓለፎ መጥቃዕቲ ቦምባ ሎከርቢን ብድሕረኡ ዘሎ ዛዕባን እንታይ ንፈልጥ?","content":"ቅድሚ 34 ዓመት፡ ብ21 ታሕሳስ 1988 ኣብ ሎከርቢ ኣብ ቦይንግ 747 ዝተሰምየት ንእሽቶ ነፋሪት ብዝተጻወደ ቦምባ 270 ሰባት ሞይቶም። እቲ ኣብ “ፓን ኣም ፍላይት ቍጸሪ 103” ቦምባ ብምጽዋድ ሰባት ብምህላቕ ዝተኸሰሰ ሊብያዊ ክሳብ ሕጂ  ኣብ ቤትማሰርቲ ሕቡራት መንግስትታት ኣሜሪካ ከም ዝርከብ ሰብ መዚ ስኮትላንድ ይገልጹ። ኣሜሪካ ኣብቲ ብ21 ታሕሳስ 1988 ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባ ዝለዓለ ኢድ ነይርዎ ብምባል ንዝጠርጠረቶ ኣቡ ኣጊላ መስዑድ ቅድሚ ክልተ ዓመት እያ ክሲ መስሪታትሉ። ኣብታ ካብ ለንደን ተበጊሳ ናብ ኒውዮርክ እትጓዓዝ ዝነበረት 259 ገያሾን ሰራሕተኛታትን ዝጸዓነት ቦይንግ 747 ኣውሮፕላን፡ ብዝተባርዐ ቦምባ ብምሉኦም ተሳፈርታ ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት 11 ሰባት ድማ ኣብ ሎከርቢ ስብርባር እታ ዝተባርዐት ነፋሪት ኣብ ኣባይቶም ምስ ወደቐ ሞይቶም። እቲ ፍጻመ ኣብ መሬት ብሪጣንያ ካብ ዘጋጠመ ግብረ-ሽበራውያን መጥቃዕቲ እቲ ዝኸፍአ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ መስዑድ ኣብ ሊብያ ብዝርከብ ጕጅለ ሚሊሻ ተጨውዩ ኣብ ኣሜሪካ ንፍርዲ ክቐርብ ንሰበስልጣን ኣሜሪካ ከም ዝተዋህበ ዝገልጽ ወረታት ተናፊሱ ነይሩ። ወሃብ ቃል ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ንማዕከናት መስዑድ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝርከብ ፌደራላዊ ቤት ፍርዲ ንፈለማ እዋን ክቐርብ ምዃኑ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት፡ ኣብ ሊብያ ቦምብ ብምስርሑ ተኸሲሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጐኑ ነይሩ። ብ2001 ዓብደልባስጥ ኣል-ሙግራሒ፡ ንፓን ኣም 103 ነፋሪት ብምብርዑ ኣብ ኔዘርላንድ ብዝተኻየደ ፍሉይ ኣኼባ ኣብ ቤት ፍርዲ ስኮትላንድ ቀሪቡ ነይሩ። በቲ መጥቃዕቲ ገበነኛ ተባሂሉ እተፈርደ ከኣ ንሱ ጥራይ እዩ ነይሩ። ሙግራሒ ንሕልፈት ተኣሲሩ'ኳ እንተ ነበረ፡ ብ2009 መንሽሮ ከም ዘለዎ ምስ ተፈልጠ፡ መንግስቲ ስኮትላንድ ብርህራሀ ተደሪኹ ምስ ፈትሖ ኣብ 2012 ንሃገሩ ምስ ተመልሰ ኣብ ሊብያ ሞይቱ። መስዑድ ኣብ ሊብያ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብቲ ነፋሪት ንምብራዕ ምስ ሙግራሒ ዝተኣልመ ውዲት ከም እተሳተፈን ተኣሚኑ። ጠበቓ ሙግራሒ ዓማር ኣንዋር፡ መስዑድ ኣብ ትሕቲ’ቲ \"ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብሰፊሑ እተዀነነ\" ጐይቶት ውግእ ዘመሓድርዎ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝነበረ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ እተዋህበ ቃለ-እምነት ብቤት ፍርዲ ኣሜሪካን ስኮትላንድን ተቐባልነት የብሉን ክብል ብሰፊሑ ተቓዊሙ። እቲ ወትሩ ንጹህ ምዃኑ ዝነግር ዝነበረ ሙግራሒ፡ ኣብቲ ናይ 27 ዓመት እተዋህቦ ፍርዲ ክልተ ሳዕ ይግባይ ኢሉ እዩ። እንተዀነ ኣብቲ ሓደ ኣይተዓወተን፡ ኣብቲ ካልኣይ ከኣ ኣይተፈቕደሉን። ኣብቲ ቅድሚ 34 ዓመታት ኣብ ፓን ኣም 103 ዝወረደ መጥቃዕቲ ቦምባ ነንሓድሕዱ ዝጠላለፍ ዝተፈለላየ ትረኻን ለውጥን ተራእዩ እዩ። ይትረፍ እቲ ቀዳማይ መስርሕ ፍርዲ እቲ ካልኣይ'ውን እንተዀነ ኔልሰን ማንዴላ ብዝገብሮ ሽምግልና እቶም ክልተ ጥርጡራት ኣብ ኔዘርላንድስ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ስኮትላንድ ክሳብ ዝቐርቡ፡ እቲ ትረኻ ንሓድሕዱ ኣይመሳሰልን እዩ ነይሩ። ሓደ ካብቶም ጥርጡራት ነታ ነፋሪት ኣዕንዩዋ ተባሂሉ'ኳ እንተ ተፈርደ፡ ዓብደልባስጥ ኣል-ሙግራሒ ምስ ካልኦት ብምትሕብባሩ እዩ ዝኽሰስ። ብ2011 ስርዓት ኮሎኔል ጋዳፊ ምስ ፈረሰ፡ እታ ሃገር ኣብ ሓያል ፖለቲካዊ ቅልውላው ቅድሚ ምውዳቓ፡ ብዙሓት ጥርጡራት ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ እዮም ዝብል ተስፋ ነይሩ። ኣብ 2020፡ ጠቕላሊ ኣኽባር ሕጊ ኣሜሪካ ዊልያም ባር፡ ኣብ ልዕሊ ኣቡ ኣጊላ መስዑድ ካብ ፖሊስ ስኮትላንድን መሻርኽቲ ኣሜሪካን ብድሕሪ መጋረጃ ዝሰርሑ መርመርትን ንዝቐረቡ ክስታት ንምጽራይ ከም ዝሰርሕ ኣፍሊጡ። እቲ ሕጂ መስዑድ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣሜሪካ ከም ዘሎ ዝገልጽ ምልክታ፡ ነቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ስኮትላንድ ዘይኰነስ ኣብ ትሕቲ ኣሜሪካ ካልኣይ ሳዕ ከም ዝፍረድ ዘመልክት እዩ። ይዅን እምበር ነቲ መስዑድ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሊብያ ተኣሲሩ እንከሎ ዝሃቦ ኑዛዜ፡ ብዙሕ ሕጋዊ ብድሆታት ይገጥሞ ኣሎ። ወሃብቃል ክራውን ኦፊስ ኣኽባሪ ሕጊ ፊስካል ሰርቪስን፡ \"ስድራ-ቤት ናይቶም ኣብ ሎከርቢ ብሓደጋ ቦምባ ነፋሪት ዝሞቱ ሰባት፡ ኣቡ ዓጊላ መሓመድ መስዑድ ኬይር ኣል-ማሪሚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሜሪካ ከም ዘሎ ተነጊርዎም’ዩ። ክኢላታት ሕጊ ስኮትላንድን ፖሊስን፡ ምስ መንግስቲ እንግሊዝን ኣሜሪካውያን መሳርሕቶም ብምዃን ምስ ኣል-ሙግራሒ ሓቢሮም ዝተኣስሩ ሰባት ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ይሰርሑ ኣለው። ፖሊስ ስኮትላንድን ነቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ከቢድ ዕንወት ዝወረዶም ስድራ ቤታትን ማሕበረሰባትን ንምድጋፍ ብዝከኣሎም መርመራኦም ከምዝቕጽሉ ሓቢሮም ኣለው። ሓደ ወሃብ ቃል ብወገኑ፡ \"ኣብ ስኮትላንድ ምስ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስን ምስ ኣብ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቡ መሻርኽትናን ምስ ሰበ-ስልጣን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ብምትሕብባር፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ሓላፍነት ክስከሙ ዝግባኦም ሰባት ፍትሒ ንምንጋስ ብዝለዓለ ተወፋይነት ክንሰርሕ ኢና” ኢሉ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3g52eyplyxo"} {"headline":"ጸገም ትምህርቲ ዘለዎም ሰባት ኣብ ሆስፒታላት ዘጋጥሞም ብድሆታት","content":"ቶሚ ጀሶፕ ምስ ዳውን ሲንድሮም ዝነብር ህቡብ ተዋስኣይ እዩ። ዳውን ሲንድሮም ምስ ምድንጓይ ምዕባለን ኣእምሮ ዝተኣሳሰር ኰይኑ እዚ ጸገም ዘለዎም ሰባት ቀስ ብቐስ እናዓበዩ ክኸዱ እንከለዉ ናይ ምሕሳብ ዓቕሞም (ልብወት) ይንኪ፣ ሓያሎ ሕክምናዊ ኵነታት ናይ ምምዕባል ሓደጋኦም’ውን ዝለዓለ እዩ። እዚ ብዙሕ ሽልማት ዝረኸበ ተዋስኣይ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ BBC1 እትቐርብ LINE OF DUTY ትብል ተኸታታሊት ፊልም ከም ቴሪ ቦይል ኰይኑ ክዋሳእ ሚልዮናት ተዓዘብቲ ዝፈልጥዎ እዩ። ቶሚ ጀሶፕ ተዋስኣይ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ትምህርቲ ጸገም ዘለዎም ሰባት ክስምዑ ዝደሊ ጐስጓስ’ውን እዩ። ንሱ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ብሪጣንያ ዝርከቡ ጸገም ትምህርቲ ጸገም ዘለዎምን ክውገዱ ብዝኽእሉ ምኽንያታት ኣብ ህይወቶም  ሓደጋ ዘንጸላለወን 1.5 ሚልዮን ሰባት እዩ። ንናይ ቢቢሲ ፓኖራማ፡ ጸገም ትምህርቲ ዘለዎም ሰባት ካብቶም ጸገም ዘይብሎም ሰባት ብ20 ዓመት ዝሓጸረ ዕድመ ንኽህልዎም ኣበርክቶ ዝገብር ውድቀት ክንክን ጥዕና ክምርምር ጸኒሑ እዩ። ንሱ፡ ጸገም ትምህርቲ ዘለዎም ሰባት ዘይተሰምዑሉ፡ ሸለልትነት ዝረኣዩሉን ስድራቤታት ኣክንዲ ዝፈትውዎም ሰባት ክሞቱ ዝርእዩ ግቡእ ሕክምና ንምርካብ ክቃለሱ ዝተገደዱሉን ጉዳያት ረኺቡ። \"ኣብ ላየን ኦቭ ድዩቲ ምስታፈይ ሰባት ዝያዳ ክሰምዑ ገይርዎም፡ ድምጸይ ንኸስምዕ ድማ ብዙሕ ዕድመታት መጺኡኒ። ሰባት ብሓቂ ክሰምዑና ክጅምሩን ብሓቂ ከመይ ከም ዝስምዓና ክርእዩን ግዜኡ'ዩ\" ከኣ ይብል። \"ጸገም ትምህርቲ ዘለዎም ሰባት ቅድሚ ሕጂ ክሕብኡ ይግበሩ ነይሮም፡ ምኽንያቱ ሰባት ኣይኣምኑናን ነይሮም። ህይወትና ግን ብሓቂ ንኽንነብር ዋጋ ኣሎዎ፡ ሕክምናዊ ክንክን ድማ ንዅላትና ዝሓሸ ክኸውን ይግባእ።\" ቶሚ ኵሉ ግዜ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና (NHS) ጽቡቕ ክንክን ከም ዝረክብ ይዛረብ፤ ከምኡ ዝኣመሰሉ ካልኦት ሰባት ግን ኵሉ ግዜ ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ከምዘይረኽቡ ይዛረብ። ዳርጋ 50 ሚእታዊ ካብቶም ቅድሚ 75 ዓመት ዕድመኦም ዝሞቱ ጸገም ትምህርቲ ዘለዎ ሰባት፡ ጠንቂ ሞቶም ክውገድ ዝኽእል ሕማም ምዃኑ ተመራመርቲ ኪንግስ ኮሌጅ ለንደንን ካልኦት ዩኒቨርሲቲታትን ዘውጽእዎ ጸብጻብ የረጋግጽ። ኣብ ካልኦት፡ እቲ ኣሃዝ 22 ሚእታዊ ጥራይ ነይሩ። እቲ ጸብጻብ ልዕሊ 3,500 ሞት ጸገም ትምህርቲ ዘለዎም ሰባት ብምግምጋም፡ ኣብ ዳርጋ ሲሶ ጽቡቕ ክንክን ከምዝነበረ ዘርኢ መርትዖ ከምዘየለ የመልክት። ቶሚን ፓኖራማን ካብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ዓመታት ዝተረኸቡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ጸብጻባት መርመርቲ ሬሳ ፈቲሾም እዮም። ብዘይካዚ፡ ብሕማቕ ክንክን ናይ ዝተሃስዩ ጸገም ትምህርቲ ዘለዎም ሰባት ኣርባዕተ ዛንታታት ሰሚዖም። ክሎይ ኣብ መበል 27 ዓመት ዕድመኣ እያ ኣብ ሆስፒታል ዓሪፋ። ጸገም ትምህርቲ ዝነበራ ኰይና ምስ ማይቶኒክ ዲስትሮፊ ዝበሃል ከቢድ ሕማም ጭዋዳታት ትነብር ነይራ። ኣብ ሚያዝያ 2019 ኣዝያ ሓሚማ ኣብ ሮምፎርድ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ክዊንስ ተዓቚባ፡ መርመራ ስካን ድማ ምልክታት መንሽሮ ክህልዋ ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ። ክሎይ ትናወጽ፡ ትቕንዞን ከምኡ’ውን ከመይ ከም ዝስምዓ ክትረዳዳእ ትቃለስን ከም ዝነበረት ሓትናኣ ሊዛ ንቶሚ ነጊራቶ። ክሎይ ሞርፊን ተዋሂብዋ፡ እዚ ድማ ንጸገም ጭዋዳታታ ዘለዎም ሰባት ጸገም ምስትንፋስ ከስዕብ ይኽእል። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ድማ ትርግታ ልባ ደው ምስ በለ ብሕክምና እንደገና ክትጥዕይ ተገይራ። ድሕሪ ተወሳኺ ሓሙሽተ መዓልቲ ናብ ሓፈሻዊ ክፍሊ ተሰጋጊራ። ኣብኡ ኣብ ፍሉይ ኣለይቲ ጸገም ትምህርቲ ዘለዎም ተሓከምቲ ኣይነበሩን። ኣብኡ ድማ ዓሪፋ። እቲ ዝተወሃባ ሞርፊን፡ ኵነታታ ንኽጋደድ ኣበርክቶ ክህልዎ ከም ዝኽእልን፡ ሓካይም ድማ ጥዕናኣ እናገደደ ይኸይድ ከም ዘሎ ከለልዩ ዘይምኽኣሎምን ብናጻ መርመራ ተረጋጊጹ እዩ። \"ክሎይ ኣብ እዋን ጻንሖታ ኵሉ ግዜ ድምጻ ኣይተሰምዐን\" ይብል እቲ ጸብጻብ። ክሎይ ዝሞተትሉ ሆስፒታል ዘመሓድር ሞግዚት ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሆስፒታላት ዩኒቨርሲቲ ባርኪን፡ ሃቨሪንግን ረድብሪጅን፡ ዝግብኣ ልዑል ክንክን ብዘይምርካባ ኣዝዩ ከምዘሕዝነን፡ እንተዀነ እቲ ሞርፊን ምቍራጽ ትርግታ ልባ ከምዘስዓበ ዝሕብር መርትዖ ከምዘይረኸበን ገሊጹ። ጸገም ትምህርቲ ዘለዎም ተሓከምቲ ብዝበለጸ ክስምዑን ክንክን ክግበረሎምን ምምሕያሻት ከምዝገበረ ይገልጽ። ቶሚ፡ ብዙሓት ካብቶም ዛንታታት፡ ብዛዕባ ሰብ ሞያ ጥዕና ንቶም ጸገም ዘለዎም ሰባት ክሰምዑን ክርድኡን ዘይምኽኣሎም ዝገልጹ ከምዝዀኑ ይሕብር። ዳውን ሲንድሮም ዝነበራ ጁሊ ተይለር ኣብ ስቶክፖርት ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ስተፒን ሂል ቅድሚ ምእታዋ፡ ምብላዕን ምስታይን ኣብያ ኣስታት 20 ኪሎግራም ቀኒሳ ነይራ። ቶሚ ምስ ስድራቤት ጁሊ ተራኺቡ እዩ። እቲ ሆስፒታል ንጸገማ ኣብ ግምት ዘእተወ ክንክን ክህብዋ ምትዕርራይ ንምግባር ክልተ መዓልቲ ወሲዱሎም። ሓዋ ጴጥሮስ ክበጽሓ ምስ ከደ ዓራታ ረሲሑ፡ ኣብ ጸጕራ ድማ ዝደረቐ ተምላስ ረኺቡ። ጁሊ ኣብቲ ሆስፒታል ተወሳኺ ኣስታት 13 ኪሎግራም ስለ ዝቐነሰት፡ ኣብ ልዑል ሓደጋ ሕጽረት መግቢ እያ ነይራ። ናብ ጕጅለ ስርዓተ መግቢ ግን ኣይተመሓላለፈትን። ጁሊ ብፍሮማይ ተለኺፋ፤ ነቲ ረኽሲ ንምምካት ዝኣክል ዓቕሚ ስለ ዘይነበራ፡ ድሕሪ መዓልታት ኣብ መበል 58 ዓመታ ካብዛ ዓለም ተፈልያ። ፒተር፡ \"ንሳ ንዓኣቶም መትከኽ እያ ነይራ 'መስለኒ፣ ጸገም ትምህርቲ ዘለዎም ሰባት ዝኸውን መሳርሒ ይዅን ዝሰልጠኑ ሰራሕተኛታት ኣይነበሮምን\" ክብል ንቶሚ ነጊርዎ። ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ኣብ 2009፡ ጸገም ትምህርቲ ዘለዎም 5,500 ተሓከምቲ ዝኣልዩ ነርስታት ነይርዎ፤ ኣብዚ ሕጂ እዋን እዚ ቝጽሪ ናብ 3,200 ወሪዱ ይርከብ። ጁሊ ቅድሚ ናብ ሆስፒታል ምእታዋ ትከናኸና ዝነበረት ካት ማኪንቶሽ ዝተበሃለት ኣላይት፡ ጁሊ ኣድልዎ ኣጋጢምዋ ኢላ ከምትሓስብ ትገልጽ። \"ሰባት ከምቲ ንሕና ምናልባት እንገብሮ ደረጃ ክንክን ንኽገብሩ ወይ ንኸርእዩ ጻዕሪ ክገብሩ ድሉዋት ከምዘይኰኑ ተሰሚዑኒ\" ትብል። ትካል-ረድኤት ሞግዚት ሃገራዊ ኣገልግሎት ስቶክፖርት ንስድራቤት ጁሊ \"ልባዊ ጽንዓት ይሃብኩም\" ኢሉ፡ ኣብ ኣገባባት እቲ ዝተገብረላ ክንክን ጕድለታት ከምዝነበሩ ዝተቐበለ'ኳ እንተዀነ፡ ሰራሕተኛታት ኣብ ልዕሊ ጁሊ ኣድልዎ ምፍጻሞም ግን ብትሪ ነጺጕ። ቶሚ ምስ ሓንቲ ህይወት ወዳ ዘትርፍ ክንክን ንምርካብ ትቃለስ ዝነበረት ኣደ እውን ተራኺቡ ነይሩ። ፍራጅል ኤክስ ሲንድሮም ዝበሃል ጀነቲካዊ ጸገም ዝነበሮ ሮበርት፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት መንሽሮ ፍረ-ነብሲ ተሓኪሙ ነይሩ። እቲ ሕበጥ ተኣልዩ’ኳ እንተዀነ፡ እቲ መንሽሮ ግን ስለ ዝተዘርገሐ ን72 ሰዓታት ኬሞቴራፒ ምውሳድ የድልዮ ነይሩ። ኣደኡ ሻሮን፡ ንዝዀነ ጽዑቕ ሕክምና ነዊሕ ኮፍ ክብል ከምዘይከኣለ፡ እቲ ሆስፒታል ግን ኣማራጺ ኣገባብ ሕክምና ከምዘየቕረበ ትዛረብ። ሮበርት ናብ ፍጻመ ህይወት ክንክን ክኣቱ ከምዘለዎ ገሊጾም። \"ክህብዎ ዝኽእሉ ነገር ከምዘየለ ብቐጻሊ ይዛረቡ ነይሮም\" ትብል ሳሮን። \"ኣነ ግን እልምን ነይረ።\" ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓገዝ ጻውዒት ኣቕሪባ ሓደ ጠበቓን ካልኣይ ሕክምናዊ ርእይቶን ክትረክብ ክኢላ። ኣብቲ እዋን፡ እቲ ሆስፒታል ኣኼባ ጸዊዑ፡ ካልእ ኣገባብ ኬሞቴራፒ ሓሳብ ኣቕሪቡ። ሮበርት ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ሓውዩ'ኳ እንተዀነ፡ ኣተሓሕዛ እቲ ሆስፒታል ግን “ልቢ” ሻሮን \"ዝሰበረ” ነይሩ። \"ህውከት ስለ ዝፈጠርኩ ድየ? ጠበቓ ስለዘሳተፍኩ ድዩ? ምስ ህይወት ሰባት ኢኻ ትገጥም ዘለኻ\" ትብል። ሻሮን ታሪኻ ብግልጺ ክትነግር ዝኸኣለት፡ ቢቢሲ መንነታ ንምሕላው ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ስለዝተቓወመ ጥራይ እዩ። ትካል-ረድኤት ሞግዚት ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሆስፒታላት ኒውካስል ኣፖን ታይን ንሮበርትን ስድራቤቱን ንምድጋፍ ኣበርቲዑ ከምዝሰርሐ ይገልጽ። ንሮበርት \"ዝበለጸ ረብሓ\" ዝብል ኣኼባ ከምዘካየደን ገሊጹ። ከምዚ ዓይነት ኣኼባ፡ ትካላት ስክፍታታት ምስ ኣልዓሉ ብኡንብኡን ሓደ ባዕሉ ናይ ምውሳን ዓቕሚ ንዘይብሉ ሰብ ዝበለጸ ኣማራጺታት ብወግዒ ዝውሰነሉ እዩ። ይዅን እምበር፡ እቲ ኣኼባ ኣቐዲሙ ክካየድ ከም ዝነበሮ ኣሚኑ እዩ። ጸገም ትምህርቲ ጸገም ዘለዎም ሰባት ምሕካም ኣብ ከም ሆስፒታል ዝኣመሰለ ጽዑቕ ሃዋህው ንሓካይምን ነርስታትን በዳሂ ክኸውን ይኽእል እዩ ምኽንያቱ ቅሩብ ግዜ ክወስድ ስለ ዝኽእል ይብል ቶሚ። ነዞም ጉዳያት ድሕሪ ምጽራይ፡ ገለ ሆስፒታላት ንጉዳይ ጸገም ትምህርቲ ዘለዎም ሰባት ዝርድኡ ሰባት ኣዝዮም ጽቡቕ ጌሮም ክገልጹ ኣብ ዘይክእሉሉ እዋን ክረዳድኡ ዝኽእሉን ሰራሕተኛታት ተጠቀምቲ ክዀኑ ከምዘለዎም ይዛረብ። ቶሚ፡ ሰራሕተኛታት ነቲ ምልክታት ምስ ጸገሞም ጥራይ ካብ ምዝማድ ቅኑዕ መርመራ ምርካብ ተኽእሎኦም ዝለዓለ ክገብሩ ኣለዎም። ሓካይምን ነርስታትን ንቶም ጽጕማት ብዛዕባ ምልክታቶም ብቐጥታ ክሓቱ እምበር ምስ ወለዶም ወይ ኣለይቶም ጥራይ ክዛረቡ የብሎምን ይብል። \"ሕጂ ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ጸገም ትምህርቲ ዘለዎም ሰባት ክስምዑ የድሊ\" ይብል ቶሚ። \"ከም ኵሉ ሰብ ድማ ክንክን ክንረክብ ኣለና።\"","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c88klm1n0m2o"} {"headline":"ፖሊስ ለንደን ፖሊሲኦም ክቕይሩ ዝገበረ ኤርትራዊ-ብሪጣንያዊ ዓዋተ","content":"ኣገልግሎት ሜትሮፖሊታን ፖሊስ ለንደን፡ ምስ ጉዳይ ብዕሰለ ዝፍጸም ጎነጽ ብዝተሓሓዝ ንዝጸንሖ ፖሊሲ ክቕይር ተገዲዱ'ሎ። እቲ ፖሊሲ ንኣተሓሕዛ ናይ ሓደ ብ 'ማትሪክስ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ምስ ጎነጽ ምትእስሳር ኣለዎም ዝበሎም ውልቀሰባት ዝምልከት፡ ማዕከን ሓበሬታ'ዩ። ኣብ 2011 ኣብታ ከተማ ሓያል ናዕቢ ድሕሪ ምውልዑ፡ ኣብ ዝቐጸለ ዓመተ 2012 ብዙሓት ካብቶም ኣብቲ ናዕቢ ተሳቲፎም ዝተባህሉን ካልኦት ሰባትን ዝሰፍርሉ ፍሉይ መዝገብ ተመስሪቱ። ኣብ 2017 ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ እቲ መዝገብ ናይ 3,881 ሰባት ሓበሬታ ሒዙ ነይሩ። ኣብዚ እዋን'ዚ ግን ናብ 1,933 ወሪዱ ይርከብ። እቲ ማዕከን ሓበሬታ፡ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣድልዎ ዝፍጽም'ዩ ተባሂሉ'ዩ ክንቀፍ ጸኒሑ። ሕጂ ግን፡ ኣንጻር'ቲ ብዘይርትዓዊ መንገዲ ኣብ መዝገብ ክሰፍሩ ዝገበረ ማዕከን ሓበሬታ ሕጋዊ ጥርዓን ድሕሪ ምቕራቡ፡ ፖሊስ ኣተሓሕዝኡ ከመዓራሪ ተሰማሚዑ'ሎ። ንሓደ ኤርትራዊ-ብሪጣንያዊ ብምውካል ሕጋዊ ጥርዓን ዘቕረበ ሓደ 'ሊበርቲ' ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ማሕበር፡ ብዙሓት ሰባት ከብቲ መዝገብ ክወጹ ዝጠልብን፡ ዝኾነ ሰብ ኣብቲ መዝገብ ይሃሉ ኣይሃሉ ከረጋግጽ ክፍቀደሉን'ዩ ሓቲቱ። ቅድሚ ሕጂ፡ ኩነታቶም ከረጋግጹ ንዝሓቱ ሰባት፡ ፖሊስ መልሲ ካብ ምሃብ ተዓቂቡ'ዩ ጸኒሑ። ሕጂ ግን 'ሜት ፖሊስ'፡ ንብዙሓት ካብቲ መዝገብ ከውጽኦም፡ ከረጋግጹ ንዝሓቱ ሰባት ግቡእ መልሲ ክህብን ነቲ ሓበሬታ ንመን ከምዝሃበ ክሕብርን ተሰማሚዑ'ሎ። ላዕለዋይ ኣዛዚ ፖሊስ ለንደን፡ ኮሚሽነር ሰር ማርክ ራውሊ ከምዝበሎ \"ምሉእ ምቅይያር ንምግባር ድሉዋት\" ምዃኖም ተዛሪቡ። ስነጥበባዊ ዓዋተ ሱሌማን ከምዝብሎ፡ እቲ መዝገብ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣድልዎ ዝገብርን፡ ካብ መጠን ዝሓለፈ ቁጽሪ ጸለምቲ ዝሓዘን እዩ። ናይ ባዕሉ ስም ኣብቲ መዝገብ ምህላዉን ዘይምህላዉን ንምርግጋጽ ንፖሊስ ኣብ ዝተወከሰሉ እዋን፡ ፖሊስ መልሲ ንምሃብ ክልተ ዓመት ወሲድሎም። ኣብ መወዳእታ'ውን፡ \"ምህላውካ ይኹን ዘይምህላውካ ከነረጋግጸልካ ኣይንኽዕልን ኢና\" ዝብል መልሲ ጥራይ'ዩ ረኺቡ። እቲ ዘቕረቦ ሕጋዊ ጥርዓን ኣብ መወዳእትኡ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ከኣ፡ ዓዋተ ኣብቲ መዝገብ ከምዘየለን ኣትዩ ከምዘይፈልጥን ተነገሪሩዎ። ሳላ'ቲ ንሱ ዘቕረቦ ሕጋዊ ምጉት ግን፡ ዝኾነ ሰብ ኣብቲ 'ማትሪክስ' ምህላዉን ዘይምህላዉን ዘረጋግጽ መልሲ ክረክብ ከምዝኽእል ፖሊስ ተሰማሚዑ'ሎ- ብዘይካ ንገለ ፍሉይ ምኽንያታት ዝምልከትን ብላዕለዋይ ኮሚሽነር ዝርአን። በዚ መሰረት፡ ልዕሊ 1,000 ሰባት ካብቲ መዝገብ ክወጹ ምዃኖም ፖሊስ ገሊጹ'ሎ። እቲ ጉዳይ፡ ንሎሚን ትማሊን ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክርአ'ዩ ተሓሲቡ ነይሩ። ዓዋተ ንቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ናብዚ ክበጽሕ ምኽኣሉ \"ኣወንታዊ ስጉምቲ'ዩ\" ኢሉ። \"ኣወንታዊ ስጉምቲ'ዩ። እንተኾነ ግን ገበናዊ ሕጊ ናይዛ ሃገር ኣብ ልዕሊ ገለ ክፋል ሕብረተሰብ ኣድልዎ ከምዘይፍጽም ምግባር\" ተወሳኺ ጻዕሪ ከምዝሓትት ከኣ ይዛረብ። ጠበቓ ናይቲ ትካል ላና ኣዳሞ ብወገኑ ከምዝበሎ፡ ገለ ሰባት ዕርክነቶም መሰረት ብምግባር ኣብቲ መዝገብ ክኣትዉ ከምዝተገብሩ ገሊጹ። ካልኦት'ውን ግዳይ ገበናት ምዃኖም ጥራይ ኣብቲ መዝገብ ሰፊሮም ጸኒሖም። ሓንሳብ ኣብቲ መዝገብ ምስኣተዉ፡ እቲ ሓበሬታ ንከም ብዓል ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ዞባውያን ሰብመዚ፡ ምምሕዳር ኣባይቲ፡ ብዓልመዚ መምርሒ ፍቓድ መኪና ዝበሉ ሳልሳይ ኣካል ክወሃብ ከምዝኽእል እቲ ጠበቓ የነጽር። \"ሕጂ ፖሊስ ለንደን ንኣሰራርሕኦም ኣብ ዘዕርይሉ ዘለዉ እዋን፡ ካልእ ዝሓሸ ኣገባባት ኣብ ምርካብ ዕድል ተፈጢሩ'ሎ\" ክብል እቲ ጠበቓ ተዛሪቡ። እቲ ዝውክሎ ማሕበር ሊበርቲ ከምዝብሎ፡ እቲ ማዕከን ሓበሬታ፡ ንሰባት ዝቆጻጸር ኮይኑ \"ንዝተፈላለዩ ሕብሪ ዘለዎም ማሕበረኮማትን ጸለምቲ ሰባትን ዝያዳ ዝሃሲ'ዩ\"። ዓዋተ ብዛዕባ'ቲ ዕዉት ሕጋዊ ብድሆ ክዛረብ እንከሎ፡ \"ንዓይ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ምውሳዱን ከምኡ'ውን እቲ ኣብዛ ሃገር ሓደ ካብ ዓበይቲ ማሕበራት ግብረሰናይ ዝኾነ ሊበርቲ ነቲ ጉዳይ ተቐቢሉ ናብ ፍርዲ ከምዘምርሕ ምግባሩ ዓቢ ነገር'ዩ\" ኢሉ። \"ነዚ ሕጋዊ ጥርዓን እንተዘይነቕርብ ነይርና፡ ብዙሓት ሰባት ግቡእ መልሲ ክረኽቡን ካብቲ መዝገብ ክወጹን ኣይምኸኣሉን ነይሮም\" ክብል እቲ ሙዚቀኛ ተዛሪቡ። ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ከተማ ለንደን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ መዛግብቲ ፖሊስ ኣብ ናኣሽቱ ጸለምቲ መንእሰያት ዝያዳ ዘተኮረ ኮይኑ ምጽንሑ ጠቒሱ። ኣብቲ መዝገብ ዝኣተዉ ሰባት፡ ቀይሕ፡ ብጫ ወይ ቀጠልያ ዝብሉ ደረጃታት ይወሃብዎም። ቀጠልያ ነቶም ኣዝዩ ዝተሓተ ሓደጋ የስዕቡ ዝብሃሉ ዝውክል ኮይኑ፡ ቀይሕ ከኣ ነቶም ኣዝዮም ሓደገኛታት ይውክል። ፖሊስ፡ ንኹሎም እቶም ኣብ ቀጠልያ ዝርከቡ ሰባት ካብቲ መዝገብ ክሓኮም'ዩ ተሰማሚዑ ዘሎ። ማሕበር ሊበርቲ፡ ኩሎም እቶም ግዳያት ናይ ፖሊስ ተደጋጋሚ ፍተሻን ካልኦት ስጉምትታትን ዝኾኑ ሰባት፡ ስሞም ኣብቲ መዝገብ ከይህሉ ከረጋግጹ ተማሕጺኑ'ሎ። ሓላፊ ፖሊስ ለንደን ማርክ ራውሊ ኣብ ሓበሬታ ዝተመረኮሰ መሳርሒታት ኣብ ምክልኻል ገበናት ኣገዳሲ ከምዝኾነ'ኳ እንተመጎተ፡ \"ብሓላፍነታዊ መንገዲ ክንጥቀመሎም ግና ግቡእና'ዩ። ክምርመር'ውን ቅኑዕ'ዩ\" ኢሉ። \"እቲ ናይ ዕስለ ገበናት ማትሪክስ፡ ኣብ ምምሕያሽ ቴክኖሎጂን ሓበሬታን ስታትስቲካዊ ኣገባባትን ዝተመስረተ ዳግመ-ምሕዳስ ክግበረሉ ከምዘለዎ ንእመን\"። ኣብ ሙዚቃን ሙዚቃዊ መጽናዕቲን ዝነጥፍ ዓዋተ ሱሌማን፡ ካብ ኤርትውያን ኣቦን ኣደን ዝተወለደ ኮይኑ፡ ብንኡሱ ምስ ስድራቤቱ ናብ ብሪጣንያ ተሰዲዱ ዝኣተወ'ዩ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cl4gllgxd5jo"} {"headline":"ብጀላቡ ንዝሰግሩ ስደተኛታት ዝምልከት ስምምዕ ፈረንሳን ብሪጣንያን እንታይ’ዩ?","content":"ንመትረብ ኢንግሊዝ ብንኣሽቱ ጀላቡ ዝሰግሩ ስደተኛታት ብዝምልከት፡ ኣብ መንጐ ብሪጣንያን ፈረንሳን ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ኣብ \"ናይ መወዳእታ ደረጃ\" ከምዝበጽሐ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ብሪጣንያ ኣፍሊጡ። ሪሺ ሱናክ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ንፈለማ እዋን ኣብ ዝተራኸበሉ እዩ እዚ መግለጺ ተዋሂቡ ዘሎ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ መራሒ ፈረንሳ ድሕሪ ምርኻቡ፡ ንብዝሒ እቶም ብንኣሽቱ ጀላቡ ንመትረብ ኢንግሊዝ ዝሰግሩ ሰባት ንምቁጽጻር \"ሓደ ቀሊል ፍታሕ ከምዘየለ\" ገሊጹ። እንተዀነ ኣብ ጉዳይ ዘይሕጋዊ ስደት ምስ ሃገራት ኣውሮጳ ብቐረባ ናይ ምስራሕ ዕድል ከምዝነበረ ሓቢሩ። ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ክቐርብ ምዃኑ’ውን ኣአንፊቱ’ሎ። ቤተ መንግስቲ ፈረንሳ ብወገኑ፡ ክልቲኦም መራሕቲ \"ብድሆ ዘይስሩዕ ስደት ንምቅላስ ውህደቶም ንምጥንኻር\" ከምዝተሰማምዑ ኣፍሊጡ። ሪሺ ሱናክን ማክሮንን ብጐድኒ እቲ ኣብ ግብጺ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ክሊማ ኮፕ27 [COP27] እዮም ተራኺቦም። ምስ ካልኦት መራሕቲ ሃገራት ኣውሮጳ'ውን ከምዝተዘራረበ ዝሓበረ ሱናክ፡ \"ምስ ኤውሮጳውያን መሻርኽትና ብሓባር ብምስራሕ ለውጢ ከነምጽእ ከምእንኽእል፡ ነዚ ብድሆ ዘይሕጋዊ ስደት ክንቈጻጸሮን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝመጹ ሰባት ደው ከም ዝብሉ ንምግባር ከምእንኽእልን ዘረጋግጽ ዝተሓደሰ ርእሰ ተኣማንነትን ተስፋን ሒዘ ይኸይድ ኣለኹ” ኢሉ። ይዅን እምበር፡ እዚ \"ዝተሓላለኸ ጉዳይ ምዃኑ\" ንማዕከናት ዜና ተዛሪቡ። ኣብዚ ዓመት ክሳብ ሕጂ ኣስታት 40 ሽሕ ሰባት ብንኣሽቱ ጀላቡ ነቲ መትረብ ዝሰገሩ ኰይኖም፡ እዚ ድማ ኣብ 2018 ኣሃዛት ክእከብ ካብ ዝጅምር እቲ ዝለዓለ ቍጽሪ እዩ። ብርክት ዝበሉ ዓቃባውያን ኣባላት ባይቶ ኣብ ታሕተዋይ ባይቶ ኣብ ዝቐረበ ህጹጽ ሕቶ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ስክፍታኦም ኣልዒሎም ነይሮም። ኣብ ኖቲንግሃምሻየር ንኣሽፊልድ ዝውክል ሊ ኣንደርሰን፡ ብዙሓት ካብ ተወከልቱ መንበሪ ክረኽቡ ኣብ ዘይከኣሉሉ እዋን፡ ን \"ዘይሕጋውያን ስደተኛታት\" መንበሪ ኣባይቲ ምቕራብ መሪር ምዃኑ ገሊጹ። ንፈረንሳን \"ጸጋማውያን ጠበቓታትን\" ምውቃስ ትርጕም ከምዘይህልዎ ብምሕባር፡ \"መዓስ ኢና ምልስ ኢልና ቅኑዕ ነገር ክንገብርን [ንስደተኛታት] ኣብታ ዝኣተዉላ መዓልቲ ንመልሶም?\" ክብል ሓቲቱ። ካልኦት ብዙሓት እውን ኣብተን ዝተመረጹለን ከባቢታት ዝርከባ ሆቴላት፡ ስደተኛታት ንምትእንጋድ ብዛዕባ ብቕዓተን ብምጥቃስ ስክፍታኦም ይገልጹ። መንግስቲ፡ ቍጽሪ ዝሳገሩ ስደተኛታት ምውሳኹ፡ ኣብ ማንስተን-ኬንት ኣብ ዝርከብ ማእከል መስርሕ ዑቕባ፡ ልዕሊ ዓቐን ምጽቕቓጥ ንኽፍጠር ምኽንያት ከምዝዀነ ይሕብር። እቲ ማእከል ብግዝያውነት 1600 ሰባት ጥራይ ከአንግድ ዝተዳለወ'ኳ እንተዀነ፡ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ግን ኣስታት 4000 ስደተኛታት ኣዕቊቦምሉ ከምዝነበሩ ይእመን። ሚኒስተር ኢሚግሬሽን ሮበርት ጀንሪክ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ማንስቶን ዘሎ ቍጽሪ መሊሱ ትሕቲ 1600 ከምዝዀነ ትማሊ ሰኑይ ገሊጹ’ሎ። መንግስቲ ስደተኛታት ኣብ ሆቴላት ክጸንሑ ምግባር ደው ከብሎ ከምዝደሊ ዘመልከተ ጀንሪክ፡ \"እታ ሃገር ኣብ ዓመት ቢልዮናት ፓውንድ ንሆቴላት ከተውጽእ ዘላቒ ኣይኮነን\" ክብል ንኣባላት ባይቶ ተዛሪቡ። \"ምቾት ዘለዎ\" መንበሪ ኣባይቲ ነቶም መትረብ ንምስጋር ዝሓስቡ ስደተኛታት ስሕበት ዝፈጥር ክኸውን ከምዝኽእል ብምሕባር፡ መንግስቲ ኣክንድኡ “ኣብ ሰፋሕቲ ቦታታት ምቕሉል ግን ከኣ መሰረታዊ መንበሪ ኣባይቲ ንምሃብ\" ክሰርሕ ከምዝኽእል ሓሳብ ኣቕሪቡ። ኣባል ባይቶ ሰልፊ ዕዮ ቤል ሪቤሮ-ኣዲ ብወገና፡ እቲ ሚኒስተር \"ምቾት\" ዝብል ቃል ብምጥቃሙ ነቒፋቶላ። እተን ዝበጽሐተን ሆቴላት፡ ኣብ \"ዝተጻበበ ኵነታት\" ዝነብሩን ብወራር ባልዓት ዝሳቐዩን ስድራቤታት ኣብ \"ዘስካሕክሕ\" ኵነታት ከምዝነብሩለን ገሊጻ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ባይቶ ዓባይ ብሪጣንያ ኣባላት ኮሚተጉዳያት ውሽጢ ሃገር፡ ካብ ጣሊባን ንዝሃድሙ ኣፍጋናውያን ዝርከብዎም ሓተትቲ ዕቑባ፡ እታ ሃገር ኣብ መዓልቲ 7 ሚልዮን ፓውንድ ንሆቴላት ከም እተውጽእ ተነጊርዎም ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብቐዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ኰይና ዝተመዘዘት ሱኤላ ብራቨርማን፡ ነቲ ኣብ ማንስቶን ዝነበረ ጸቕጢ ንምቅላል ብዝብል ነቲ ዝወሃብ ሕጋዊ ምኽሪ ዕሽሽ ምባል ወይ ምቁራጽ፡ ምጥቃም ሆቴላት ተቐባልነት የብሉን ክትብል ነጺጋቶ። ብራቨርማን ነቲ ኣብ ማንስቶን ዝነበረ ኵነታት ኣጋዲዳቶ ድያ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ቀዳማይ ሚስተር ሱናክ፡ ኣብቲ ቦታ ዘሎ ቁጽሪ ከምዝንኪ ክትገብር ከምዝጸንሐት ብምግላጽ፡ \"ኣብዚ ድማ ኣዝዩ ዝነኣድ ውጽኢት ነምጽእ ኣለና ኢና\" ኢሉ። ግራንት ሻፕስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንሓጺር እዋን ጸሓፊ ውሽጣዊ ጉዳያት ኰይኑ ኣብ ዘገልገለሉ እዋን፡ ማንስቶን \"ዘይወግዓዊ መዳጐኒ ማእከል ንምግባር ይስራሕ ነይሩ\" ክብል ምንቃፉ ይዝከር። ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሰባት \"ብዘይ ፍላጥ ይዳጐኑ ኣለዉ\" ዝብል ስክፍታታት ከምዘሎን፡ እዚ ድማ ሕጋዊ ከምዘይከውን ኣፍሊጡ ነይሩ። ኣብዚ እዋን ጸሓፊ ንግዲ ዝዀነ ሚስተር ሻፕስ፡ መንግስቲ ሕጊ ከኽብርን እቲ ቦታ \"መዳጐኒ ማእከል ከምዘይኰነ ንምርግጋጽ\" ኣብ ኣሰራርሓ ለውጢ ከምጽእን ድልየት ከምዝነበሮ ወሲኹ ሓቢሩ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyr0z4e33nko"} {"headline":"ዝቕጽል መረጻ ብሪጣንያ መዓስ ክኸውን ይኽእል?","content":"ሪሺ ሱናክ፡ ድገፍ ባይቶ ንምርካብ ኣብዝተኻየደ ውድድር መነሓንሕቱ ዝነበሩ ፐኒ ሞርደንትን ቦሪስ ጆንሶንን ካብቲ ውድድር ድሕሪ ምእላዮም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር  ብሪጣንያ ክኸውን እዩ። ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት ሊዝ ትራስ ካብ ስልጣና ካብ ትወርድ ኣትሒዞም፡ መረጻ ንኽግበር ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም። ንምዃኑ ስለምንታይ እዩ ብዘይ መረጻ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ተተኪኡ ዘሎ? ኵሎም ኣባላት ባይቶ ብሪጣንያ ካብ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዘይነውሕ ግዜ እዮም ዝምረጹ። ኣቐዲሞም መረጻ እንተዘይጸዊዖም ድማ ክሳብ ጥሪ 2025 ኣይክካየድን እዩ። እዚ ማለት ካብቲ ኣብ ስልጣኑ ሒዙ ዘሎ ፓርላማ ንፈለማ ግዜ ካብ ዝራኸብሉን፡ (17 ታሕሳስ 2019) ነቲ ውድድር መረጻ ዘድሊ ግዜን ኣጠቓሊሉ ማለትዩ። ህጹጽ መረጻ ኽካየድ ናይ ምውሳን ሓላፍነት ኣብ ኢድ ቀዳማይ ሚኒስተር እዩ። እንተዀነ ክሳብ’ዚ ቀረባ እዋን ከምኡ ኣይነበረን። ዳግማይ ህጹጽ መረጻ ኽካየድ ናይ ምውሳን ስልጣን፡ ኣብ 2011 ካብ ኢድ ቀዳማይ ሚኒስተር ተመንዚዑት ንባይቶ ተዋሂቡ ነይሩ። ኣብ ትሕቲ’ዚ፡ ሕጊ 2\/3 (ክልተ ሲሶ) ኣባላት ባይቶ እንተተሰማሚዖም ጥራይ እዩ ዝካየድ። ኰይኑ ግን ኣብ መረጻ 2019 ሰልፊ ዓቃባውያን ድሕሪ ምዕዋቶም፡ ኣብ 2022 ዘተኣታተውዎ ሓድሽ ሕጊ ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ስልጣን እንከሎ ህጹጽ መረጻ ንኽግበር ናይ ምውሳን ሓይሊ ናብ ኢዱ ተመሊሱ። ቀዳማይ ሚኒስተር  ህጹጽ መረጻ ክካየድ እንተደልዩ፡ እቲ ዘሎ ፓርላማ ኣብቂዑ መረጻ ኽካየድ ምእንቲ፡ ፓርላማ ንኸፍርስ ንንጉስ ሕቶ ከቕርቡ ይግባእ። መረጻ ምስተኣወጀ ድማ፡ ኣብ ዝስዕባ 25 መዓልታት ስራሕ፡  ማእከላት መረጻ ክቘማ ትጽቢት ይግበር። እቲ ፓርላማ ምስ ፈረሰ፡ ኣባላት ባይቶ ካብ መዝነቶም ይወርዱ፤ ምናልባት ደጊሞም ክድይቡ ምስ ዝደልዩ ግን ከም ብሓድሽ ይወዳደሩ። ብመስረት ቅዋም ‘ታ ሃገር ኣየገድድን እዩ። ኣብ መበል 20 ክፍለዘመን፡ ህጹጽ መረጻ ከይተኻየደ ቀዳሞት ሚኒስተራት ክልተ ግዜ ዝተቐየሩሉ ኣጋጣሚ ነይሩ እዩ። ኣብ 1935 ዝተኻየደ መረጻ ስታንሊ ባልድዊን ተዓዊቱ፤ ኣብ 1937 ግን በቲ ኣብ 1940 ካብ ስልጣኑ ዝለቐቀ ነቪለ ቻምበርሊን  ተተኪኡ፡ ኣክንድኡ ድማ ዊንስተን ቸርቺል ናብ ስልጣን ደይቡ። እዚ ዅሉ ግን ካልኣይ ኲናት ዓለም ይካየድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብምንባሩ፡ ክሳብ 1945 ዝዀነ መረጻ ኣይተኻየደን። ብተወሳኺ፡ ሰር ሄንሪ ካምፕበል-ባንነርማን ኣብ 1900 ብዝተኻየደ መረጻ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰነ ብኡንብኡ ህጹጽ መረጻ ክግበር’ኳ እንተጸውዐ፡ ቅድሚ’ቲ ኣብ 1906 ዝተገብረ መረጻ ክልተ ቀዳሞት ሚኒስተራት ተቐያይሮም ነይሮም። ሓደስቲ ቀዳሞት ሚኒስተራት ተካእቶም ንኽረኽቡ ምርጫ ቅድሚ ግዜኡ ኽካየድ ዘይጸውዑሉ ኣጋጣሚታት እውን ነይሩ’ዩ። ኣብ 2007 ንኣብነት፡ ጐርደን ብራውን ካብ ሰልፊ ዕዮ ንቐዳማይ ሚኒስተር ቶኒ ብሌር  ክትክኦ እንከሎ፡ ዝዀነ መረጻ ኣይተኻየደን። ቦሪስ ጆንሰን እውን ኣብ ሓምለ 2019፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ተመርጹ፤ እንተዀነ ክሳብ ታሕሳስ  ጻውዒት መረጻ ኣይገበረን። ኣብ 2016 እውን ተረሳ መይ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኰይና ነይራ ኣብ 2017 ግን ጻውዒት መረጻ ኣይገበረትን። እዚ ዘሎ መሪሕነት ንዝቐርብ ሓሳባት ክፉት’ኳ እንተዘይኰነ፡ እዚ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ንመረጻ ጻውዒት ክገብር ፖለቲካዊ ጸቕጢታት ክቐርበሉ ግድን እዩ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ዝበዝሑ ኣባላት ባይቶ ደገፍ ረኺቡ ተኣማንነት ከረጋግጽ ኣለዎ። ኣባላት ባይቶ ኵለን ሰልፊታት እምነቶም ከምዝጐደለ እንተኣሚሞም፡ እቲ ዘሎ ምምሕዳር ይቐጽል ዶ ኣይቐጽል ኢሎም ይውስኑ። መራሒ ሰልፊ ዕዮ ሰር ኪያር ስታርመር ከምዚ ዓይነት እማመ እንተኣቕሪቡ፡ እቲ መንግስቲ ንኽትዕን ምድማጽን ግዜ ክሰርዕ ይግባእ። እቲ እማመ ንኽሓልፍ፡ ብውሑዱ ሓንቲ ደገፍ ድምጺ ክረክብ ክኽእል የድሊ። እቲ መንግስቲ ድምጺ ምስ ዝሰእን፡ ብቐጥታ ሓፈሻዊ ምርጫ ክካየድ ጻውዒት ይቐርብ። ንጉስ እውን ናይ እሙንነት ድምጺ ክረክብ ንዝኽእል  ኣባል ባይቶ ስልጣን ከቕውም ክዕድሞ ይኸእል እዩ። ይዅን እምበር እምነት የብልናን ዝብል እማመ ንኽመሓላልፍ፡ ዓቃባውያን ኣባላት ባይቶ ንገዛእ መራሒኦም ክወርድ ምስ ዘድምጹ እዩ፤ እዚ ግን ብዙሕ ግዜ ክግበር ዘይሕሰብ እዩ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3g87wrwyqeo"} {"headline":"በዓልቲ ቤት ሪሺ ሱናክ፡ ኣክሻታ ሙርቲ መን’ያ?","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ክኸውን ተመሪጹ ዘሎ ሪሺ ሱናክ፡ ኣብ መላእ ህንዲ ኣቓልቦ ብዙሓት ክስሕብ ክኢሉ ኣሎ። እንተዀነ ቀዳማይ ኤስያዊ ብሪጣንያዊ ናብዚ መዝነት ዝበጽሕ ስለዝዀነ ጥራይ ግን ኣይኰነን። በዓልቲ ቤቱ ኣክሻታ ሙርቲ፡ ጓሉ ነቲ ህንዳዊ ቢል ገይት እናተባህለ ዝጽዋዕ ቢልዮነር ናራያና ሙርቲ ስለዝዀነ’ውን እዩ። ኣክሻታ ሙርቲ’ውን ኣሰር ኣቦኣ ስዒባ ብርክት ዝበለ ሚልዮናት ዶላራት ከተጥሪ ክኢላ’ያ። እንተዀነ ካብ ብሪጣንያ ወጻኢ ‘ዝረኸበቶ ኣታዊ ኣብ ብሪጣንያ ግብሪ ክኸፍለሉ ኣይግብኣንን’ዩ’ ኢላ ክትማጐት ድሕሪ ምጽናሕ ብሕጊ ክተከፍል ከምዘለዋ ስለዝተረትዐት፡ እቲ ምምልላስ ናብ ቤት ፍርዲ ንፖለቲካዊ ተቐባልነት በዓል ቤታ ሪሺ ሱናክ ብኣሉታ ክጸልዎ ክኢሉ’ዩ። ኣክሻታ ዋላ’ኳ ኣቦኣ ቢልዮነር ይዅን’ምበር ንሳ ግን ብናታ ጻዕሪ’ያ ትልለ። ኣቦኣ ኣብ 2013 ኣብ ዘሕተማ መጽሓፍ፡ ናብ ጓሉ ዝሰደዳ ደብዳበ ኣብታ መጽሓፍ ኣስፉርዋ ኣሎ። ንሱ ኣክሻታ ኣብ ሚያዝያ 1980 ኣብ ዝተወለደትሉ፡ ካብ ስድራኡ ርሒቑ ይነብር ስለዝነበረ፡ ንተሌፎን መደወሊ ገንዘብ ስለዘይነበሮ፡ ምውላድ ኣክሻታ ብተዘዋዋሪ መገዲ’ዩ ሰሚዕዎ። ኣብታ መጽሓፍ ዘሎ ደብዳበ፡ “ኣነን ኣደኽን እንናበረሉ ስራሕ ንምርካብ ላዕልን ታሕትን ንብል ስለዝነበርና’ዩ” ዝብል ከኣ ይርከቦ። ኣክሻታ ሙርቲ ጓል ኣዋርሕ እንከላ፡ ምስ ዓባያ ገዲፎም ኣደኣ ሱድሃ ሙርቲን ኣቦኣን ስራሕ ንኽረኽቡ ናብ ሙማባይ ከይዶም። ድሕሪ ሓደ ዓመት ከኣ ነታ ቢልዮነራት ዝገበረቶም ‘ኢንፎሲ’ ኢሎም ዝሰመይዋ ኣገልግሎት ኢንተርነት ትህብ ትካል ምስ ካልኦት መሻርኽቲ ብምዃን ከፊቶማ። እዞም ወለዲ ደቈም ኣብ ትምህርቲ ንኽነፍዑ እኹል ንዋት ኣፍሲሶም፣ “ብግደ ሓቂ ኣብ መጀመርታ ኣብ ገዛና ተሌቪዥን’ውን ስለዘይነበረና ንምንባብ፡ ንምጽናዕ፡ ንምዝታይን ምስ ኣዕሩኽትኻ ንምርኻብን እኹል ግዜ’ዩ ነይሩ” ይብል ናራያና ሙርቲ። ኣክሻታ ሙርቲ፡ ኣብ ካሊፎርንያ ኣብ ዝርከብ ክላረሞንት ማካነ ዝተበሃለ ብሕታዊ ኮሌጅ ስነ ቁጠባን ቋንቋ ፈረንሳን ከተጽንዕ ክኣለት። ጐድኒ ጐድኒ’ውን ብቕዲ ስፍየት ዲፕሎማ ረኺባ። ካብ ስታንፎርድ ዩኒቨርስቲ’ውን ብማስተርስ ዲግሪ ተመረቐት። ማስተርስ እናኣጽነዐት እንከላ ኸኣ’ያ ምስ ሪሺ ሱናክ ክትላለ ዝኸኣላት፤ ሌላኦም ናብ ፍቕሪ ሰጊሩ ኣብ 2009 ተመርዕዮም ክልተ ፍረ ብርኮም ቈልዑ ረኸቡ። እዛ ጓል 42 ዓመት ኣክሻታ ሙርቲ ‘ኣክሻታ ዲዛይንስ’ ዝሰመየቶ ናታ ትካል ብ2011 ኣብ ካሊፎርንያ ከፈተት። እንተዀነ እቲ ዘበገሰቶ ወፍሪ ነዊሕ ከይጸነሐ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ከምዝጠፈሸ’ዩ ዘጋርድያን ዝሕብር። ኣብ 2013 ምስ በዓል ቤታ ሱናክ ኰይኖም ዝመስረትዎ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ትካል ግን ነቕነቕ ዘይብል ኣታዊ ከምጽኣሎም ጀመረ። እዚ፡ ኣብ ትሕቲኡ መፍረ ክዳውንቲ ደቂ ተባዕትዮ፡ ትካላት ምህናጽ ኣካላት [ጂም] ዝኣመሰሉ ሓያለ ጨናፍራት ዘለዎ ዓቢይ ትካላት እዩ፤ ንዅሉ ኸኣ ኣክሻታ ሙርቲ ዳይረክተር ኰይና ተመሓድሮ። ኣክሻታ ሙርቲ ኣብቲ ናይ ኣቦኣ ትካል ‘ኢንፎሲ’ 0.9 ሚእታዊት ብርኪ ኣለዋ፣ ብገንዘብ ክትመን እንከሎ ኣስታት 700 ሚልዮን ፓውንድ ይበጽሕ። እቲ ትካል ኣቦኣ፡ ኣብ ሩስያ፡ ሞስኮ’ውን ጨናፍር ስለዝነበሮ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ድሕሪ ምክያዳ ብኸቢድ ስለዝተጸለወ፡ ኣብ ሩስያ ዝነበሮ ክፋላት ክዓጹ ተገዲዱ’ዩ። እዚ ግዙፍ ሃብቲ ናይቶም ክልተ ሰብ ሓዳር፡ ንፖለቲካዊ ምረሻ ሪሺ ሱናክ፡ ሃብታም ብምዃኑ ንስእነት ይርድኦዶ ይኸውን ብዝብል ብኣሉታ ጸልይዎ’ዩ። ቅድሚ ሕጂ መጻምድቲ ቀዳሞት ሚኒስተራት ብዙሕ ፍሉጣት ኣይነበሩን፤ ንኣብነት በዓል ቤታ ንቀዳመይቲ ሚኒስተር ነበር ተሬሳ መይ፡ ፍሊፕ መይ ኣብ ሚድያታት ዘይቐርብ ሰብ’ዩ ነይሩ። ክሳብ ሕጂ ኣክሻታ ሙርቲ፡ ብጀካ እቲ ምስ ምክፋል ግብሪ መንግስቲ ተታሓሑዙ ናብ ቤት ፍርዲ ትመላለሶ ዝነበት፡ ኣቶክሮ መራኸቢ ብዙሃን ዝስሕብ ነገር ኣየጋጠመና ዘሎ፡ እንተዀነ በዓል ቤታ ናብቲ ዝበረኸ ስልጣን ምስ ምምጽኡ ካሜራታት ናብኣ ምቕንዐን ኣይክተርፍን’ዩ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw57krn94w5o"} {"headline":"ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊኡ ንዝቐረበ ክስታት ምኽፋል ግብሪ ነጺጉዎ","content":"ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ንኤርትራውያን ብምፍርራሕ ክልተ ሚእታዊት ክኸፍሉ ከምዘገድዶም ብሓደ ኣባል ፓርላማ ብሪጣንያ ዝተፈረመ ጸብጻብ ከሲሱ። እቲ ኣባል ባይቶ ጎይቶት (ሃውስ ኦፍ ሎርድስ) ዝኾነ ሎርድ ዴቪድ ኣልቶን ዝፈረመሉ ጸብጻብ፡ መንግስቲ ኤርትራ \"ብተዘዋዋሪን ምናልባት'ውን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ካብ ኤርትራውያን ዲያስፖራ ኣብ ብሪጣንያ\" ክልተ ሚእታዊት ካብ ኣታዊታቶም ግብሪ የኽፈል ከምዘሎ ይጠቅስ። \"ኣብ ዘይክፈለሉ ኣጋጣሚታት ድማ፡ ሳዕቤኑ ካብ ምንፋግ ቆንስላዊ ኣገልግሎታት ክሳብ ምስርጣይ፡ ነቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ቤተሰብ ከይተረፈ፡ ይፋላለ፡ እዚ ድማ ምቕሳብ ክኸውን ይኽእል'ዩ\" ይብል እቲ ጸብጻብ። ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ለንደን ነቲ ክሲ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ \"ግብሪ ረዲኤትን ዳግመ-ሕውየትን ኤርትራ\" ክብል ዝገለጾ ክፍሊት ብምፍርራሕን ምቕሳብ ከምዘይፍጸም ኣብሪሁ። እቲ ጸብጻብ \"ሎርድ ኣልቶንን ተሓባበርቶምን ንኤርትራን መንግስታን ንምህሳይ ክሳብ ክንደይ ክወርዱ ፍቓደኛታት ምዃኖም ዘርኢ ተወሳኺ ኣብነት'ዩ\" ክብል እቲ ብረቡዕ ዝወጸ መግለጺ ነቒፉ። እቲ ኤምባሲ ናብ ኤርትራ ንዝስደድ ሬሳታት ከይተረፈ ግብሪ የኽፍል'ዩ ንዝብል ክሲ'ውን \"ሓቅነት ዘይብሉ ኣባሃህላ\" ብምባል ነጺግዎ። ኣብ 2015፡ እቲ ኤምባሲ ብምፍርራሕን ብምቕሳብን ክልተ ሚእታዊት ግብሪ የኽፍልን ይዝርፍን ኣሎ ዝብል ክስታት ቀሪብሉ ምንባሩ ይፍለጥ። ፖሊስ ለንደን ድሕሪ ዘካየዶ መርመራ ግን፡ ገበን ከምዝተፈጸመ ዘርኢ \"እኹል ጭብጢ\" ክረክብ ከምዘይክኣለ ገሊጹ ነይሩ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ጸብጻብ፡ ነቲ ሓያለ ሰባት ኣዘራሪቡ ከም መርትዖታት ኣቕሪብዎ ዘሎ ጭብጥታት ኣብ ግምት ብምእታው \"ምሉእ፡ ወግዓዊን ምሉእ ምወላ ዝተገብረሉን ህዝባዊ ምጽራይ\" ክግበረሉ ጸዊዑ'ሎ። ብዘይካ'ዚ ፖሊስ ለንደን ኣብዚ ረኺበዮ ዝበሎ ሓደስቲን ናይ ዝሓለፈን መርትዖታት ብምምርኳስ ከምብሓድሽ መርመራ ከካይድ ተማሕጺኑ። ሰብመዚ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ዲያስፖራ ኤርትራውያን ስለያዊ ምክትታልን ምፍርራሕን ከምዘካይዱ ንዝቐርበሎም ክስታት ክነጽግዎ ጸኒሖም'ዮም። ኣብ ለካቲት 1995 ዝወጽአ ኣዋጅ ቁጽሪ 67\/1995 ካብ ኤርትራ ወጻኢ እናነበሩ እቶት ዝረኽቡ ኤርትራውያን 2% ካብ ኣታዊታቶም ግብሪ ክኸፍሉ ዘገድድ እዩ። ሓላፍነት ምእካብ እቲ ግብሪ ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብምስካም ድማ \"ብመንገዲ ኤምባሲታት ቆንስላትን ካልኦት ልኡኻትን\" ክከታተሎ ይእዝዝ። እንተኾነ ግና እቲ ኣዋጅ፡ ንጹርነት ዝጎደሎን ኣብ ውሳነ ናይቶም ኣብቲ ኤምባሲታት ነታ ስራሕ ዘካይዱ ውልቀሰባት ዝምርኮስን ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ። እቲ ክሳብ ሕጂ ሕጋዊ ክለሳ ዘይተገብረሉ ኣዋጅ፡ ንኩነታት መነባብሮ (ከም ናይ ቆልዑ፡ ናብራ፡ ከምኡ'ውን ፍሉይ ወጻኢታት) ናይቶም ዝኸፍሉ ሰባት ኣብ ግምት ዘየእተወ ከምዝኾነ ድማ ይገልጹ። እቲ ኣዋጅ ኣብ ዝወጸሉ እዋን ዝነበረ መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ፡ በቲ ካብ 1991 ጀሚሩ ነታ ሃገር ዝመርሓ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዘይወግዓዊ ኣገባብ ምፍራሱ ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት ብኣማኢት ኣሽሓት፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ግዱድን ገደብ-ኣልቦን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምግሃስ መሰላትን ብምህዳም ናብ ስደት ክውሕዙ ምጽንሖም ጸብጻባት የረድኡ። እታ ድኹም ቁጠባ ከምዘለዋ ዝንገረላ ኤርትራ፡ ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ዓለም እያ። ካብ ወጻኢ ናብ ቤተሰብ ዝስደድ ገንዘብ (ረሚታንስ) ከኣ ሓደ ካብ ቀንዲ ቁጠባዊ ምንጭታት እቶት ምዃኑ ይግለጽ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv284zw0lggo"} {"headline":"ጸሓያዊ ጸዓት ካብ ህዋ ንምምንጫው ዝግበር ዘሎ ፈተነ","content":"ነቲ ሓሳብ ቅልል ብዝበለ ንምርድኡ፡ ኣብ ህዋ ሓደ መደበር ክህሉ እዩ። እቲ ካብ መሬትና ኣዝዩ ዝርሓቐ መደበር፡ ካብ ጸሓይ ጸዓት ብምእካብ ብሓያል ድግምጋም [ፍሪኴንሲ] ማዕበል ራድዮ ናብ ምድሪ ብምልኣኽ፡ ኣብ ምድሪ ዝትከል ካልእ መደበር ናብ ኤለክትሪካዊ ጸዓት ክቕይሮ’ዩ፤ ካብዚ ብምብጋስ ዓለምና ብዘይ ትኪ ሕጽረት ጸዓት ኤለክትሪክ ክፍትሓላ’ዩ። እቲ ሓሳብ ኣዝዩ ባህ ዘብል’ዩ። እንተዀነ፡ ኣቦ መንበር ተበግሶ ጸዓት ህዋ [Space Energy Initiative (SEI)] ማርቲን ሶልታኡ፡ እዚ እንተቐልጠፈ ኣብ 2035 እዩ ናብ ተግባር ክሰጋር ዝኽእል፡ ይብል። ተበግሶ ጸዓት ህዋ፡ ኣዝያ ገዛፍ ሳተላይት ኣብ ህዋ ዓንኬል ምድሪ [ኦርቢት] ብምውንጫፍ ኣብ ዙርያ መሬት ከምእትዘውር’ዩ ክገብር። እዛ ሳተላይት እዚኣ’ያ ነዚ ኣዝዩ ዓቢይ ተስፋ ተነቢርዎ ዘሎ፡ ምምእራር ጸሓያዊ ጸዓት ካብ ህዋ ኣኪባ ብመልክዕ ጨረር ናብ ምድሪ ክትልእኮ’ያ። ማርቲን ሶልታኡ ተግባራዊ ንክኸውን ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ዓቢ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ። “ከም ውጥን ኣብ 2050 መላእ ሃልኪ ጸዓት ኤለክትሪክ በዛ ሳተላይት ክሽፈን ዝብል እዩ” ኸኣ ይብል። ኣስዒቡ፡ “ኣብ ዙርያ ዓለምና ንብዙሓት ሳተላይታት ክኸውን ዝኽእል ደረት ዘይብሉ ቦታ’ዩ ዘሎ፣ ብርሃን ጸሓይ ከኣ ዝውዳእ ኣይኰነን፣ ሓንቲ መስመር ኦርቢት ከኣ 100 ዕጽፊ ናይቲ ወዲ ሰብ ኣብ 2050 ከህልኾ ትጽቢት ዝግበረሉ ጸዓት ኤለክትሪክ ብጸሓያዊ ጸዓት ትረኽቦ’ያ” ይብል። ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ብሪጣንያ፡ ኣብ ህዋ ንዝትከል ፕሮጀክት መመንጨዊ ጸሓያዊ ጸዓት ዝውዕል 3 ሚልዮን ፓውንድ ምስልዑ ዝዝከር እዩ። ብሪጣንያ፡ ፈራዛር ናሽ ዝተበሃለ ትካል፡ ምህንድስናዊ ዳህሳስ ብምክያድ፡ ኣብ ህዋ ጸሓያዊ ጸዓት ዝእክብ ማእከል ብምትካል፡ ናብ ምድሪ ብመልክዕ ጨረር ተላኢኹ ምንጪ ኤለክትሪክ ክኸውን ከምዝኽል ዝገልጽ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ድሕሪ ምቕራቡ’ዩ ነቲ ገንዘብ ሰሊዑ። ተብግሶ ጸዓት ህዋ ኸኣ ካብዚ ገንዘብ እቲ ዝዓበየ ክፋል ክወሃቦ’ዩ። እታ ሳተላይት ኣማኢት ኣሽሓት ጸሓያዊ ጸዓት ዝስሕብ ክፋላት ዘለዋ ኰይና፡ ኣብ ህዋ ብሓገዝ ሮቦታት’ያ ክትገጣጠም፡ ብዘይካ’ዚ እቶም ሮቦታት ጽገናታት ኣብ ምግባር’ውን ክሰርሑ’ዮም። እቲ ጸሓያዊ ሓይሊ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ሳተላይት ናብ ልዑል ድግምጋም ማዕበል ራድዮ ተቐይሩ ናብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ መደበር ይበጽሕ፡ እቲ ኣብ ምድሪ ዝትከል መደበር ነቲ ማዕበል ናብ ኤለክትሪክ ብምቕያር ናብ ህዝቢ ዓለም ክዝርግሖ’ዩ። ሓንቲ ሳተላይት ክሳብ 2 ጊጋ ዋት ከተመንጩ ከምእትኽእል ከኣ ይግመት፤ እዚ ብዓይኒ ዓቐን ክርአ እንከሎ ምስ ሓደ መደበር ኑክሌስ ዘመንጭዎ ጸዓት ብማዕረ ዝስራዕ’ዩ። ናብ መሬት ዝበጽሕ ጨረር ጸሓይ ‘ብኣትሞስፈር’ ስለዝዝቈቕ መጠኑ ውሑድ እዩ፣ ኣብ ህዋ ግን ብቐጥታ ምስ ምሉእ ሓይሉ ኣብታ ሳተላይት ስለዝዓልብ፡ ናብ ኤለክትሪክ ክቕየር እንከሎ ኣዝዩ ዝተዓጻጸፈ ከምዝኸውን’ዮም እቶም ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ክኢላታት ዝሕብሩ። ከምዚ ዓይነት ተበግሶታት ኣብ ካልእ ሃገራት’ውን ይፍተንን ይሕሰብን ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ። ንኣብነት ኣብ ኣሜሪካ፡ ‘ኣየር ፎርስ ሪሰርች ላባራቶሪ’ ዝተነበሃለ ትካል ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣብ ህዋ ጸሓያዊ ጸዓት ንምውህላል ይሰርሕ ኣሎ። እቲ ትካል ኣብ መጀመርታ ዝሓለፈ ዓመት፡ ነቲ ኣብ ህዋ ዝእከብ ጸሓያዊ ጸዓት፡ ብኸመይ ናብ ማዕበል ራድዮ ቀይርካ ናብ መሬት ክመጽእ ከምዝኽልእ ዝገልጽ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣቕሪቡ ነይሩ። እቲ ማዕበል ጽዓት ኣብ ሰብን ኣከባብን ዝዀነ ጉድኣት ከምዘየውርድ’ውን ኣብቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ቀሪቡ ኣሎ። ነዚ ኣመልኪቱ ኣቦ መንበር ተበግሶ ጸዓት ህዋ ማርቲን ሶልታኡ፡ “እዚ ማዕበል ጸዓት ልክዕ ከምዚ ዋይፋይ እዩ ኣብ ከባቢና’ውን እንተሃለወ ንዓና ግን ብፍጹም ኣይፍለጠናን’ዩ፣ ውሑድ ጻዕቂ ዘለዎ ኰይኑ ርብዒ ናይቲ ኣብ ፍርቂ መዓልቲ ክኸውን እንከሎ ዝስምዓና ዳህሪ’ዩ ዘለዎ” ይብል። ብኣብነት ከሰንዮ እንከሎ ኸኣ፡ “ኣብ ምድረበዳ ቅናት ምድሪ እንተሃሊና፡ እቲ ካብ ጸሓይ እንረኽቦ ጻዕቂ ጸዓት 1000 ዋት ካብ ሓደ ትርብዒት ሜትሮ’ዩ፤ እዚ ብማዕበል ጸዓት ዝፍጠር ጻዕቒ ግን 240 ዋት ኣብ ሓደ ትርብዒት ሜትሮ’ዩ” ብምባል ማዕበል ጸዓት ካብታ ኣብ ህዋ ትትከል ሳተላይት ናብ መሬት ክመጽእ እንከሎ ከምዘይስምዓና ይሕብር። እንተዀነ እዚ ፕሮጀክት ምስ ብዙሕ ብድሆታቱ’ዩ ከም ሓሳብ ተበጊሱ ዘሎ፤ ሓደ ካብኡ ኣማኢት ኣሽሓት ጸሓያዊ ጽዓት ዝእክብ ‘ፓነላት’ ኣብ ህዋ ምትካል ኣዝዩ ክቡር እዩ ክኸውን፤ ብዘይካኡ ነቲ ፓነላት ንምስራሕ’ውን ብዙሕ ልቀት ካርቦን ዳይኦክሳይድ ከምዝህሉ ብኣጋኡ ተገሚቱ ኣሎ። ብዘይካ’ዚ እቲ ኣብ ህዋ ዝትከል ጸሓያዊ ጸዓት ዝእክብ ፓነላት ሓያለ ኪሎሜተራት ግፍሕን ስፍሓትን ዘለዎ ስለዝኸውን፡ ምስ ኵነታት ኣየር ህዋ ብዝጥዕም ገይርካ ክስራሕ ስለዘለዎ፡ ንዕኡ ንምስራሕ ግዜ ክወስድ ከምዝኽእል ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ክኢላታት ይሕብሩ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c2j09253774o"} {"headline":"መንእሰያት ንቕድሚት' ክመጽኡ ዝጽውዑ ኣቦ፡ ኣብ 105 ዓመቶም ዓሪፎም","content":"ህንዲ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ እንግሊዝ ናጽነት ድሕሪ ምርካባ፡ ንፈለማ እዋን ሓፈሻዊ መረጻ ኣብ ዘካየደትሉ እዋን፡ ሽያም ሳራን ነጊ፡ ናይ መጀመርታ ድምጺ ዝሃቡ ሰብ ምዃኖም ይእመን። ሚስተር ነጊ ካብ ሽዑ ጀሚሮም ኣብ ነፍሲ ወከፍ መረጻ ድምጺ ሂቦም እዮም። እቶም ልዕሊ ሓደ ዘመን ዝነበሩ ኣቦ፡ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት፡ ቅድሚ ሞቶም፡ ኣብ መረጻ ባይቶ ክፍለ-ግዝኣት ሂማቻል ፕራደሽ ንመወደእታ ግዜ ኣድሚጾም። እዞም ጡረተኛ መምህር፡ ሃገሮም ህንዲ ናጻ ምስ ወጽአት፡ ናይ መጀመርታ ድምጺ ዘስመዑ ሰብ ከምዝዀኑ እዩ ዝእመን። ክሳዕ ግዜ ሞቶም ድማ መንእሰያት ኣብ መረጻ ክሳተፉን ንቕድሚት ክመጽኡን ክጽውዑ ከም ዝጸንሑ ይንገረሎም። ምኽንያቱ፡ ክፍለ-ግዝኣቶም ንመረጻ 1952፡  ብርቱዕ በረድ ከይወርድ ኣብ መጀመርታ 1951 ናይ መረጻ ዳሳት ኣቚማ። ኣብቲ ውጽኢት፡ ሃገራዊ ኮንግረስ ብዓብላልነት ተዓዊቱ። ጀዋሃርላል ነህሩ፡ ነታ ንኣስታት 100 ዓመታት [1848 - 1947] ኣብ ትሕቲ መግዛእታዊ ምሕደራ እንግሊዝ ንዝነበረት ህንዲ ክመርሕ፡ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ ናይ መጀመርታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ሰበስልጣን ሃገራዊ ኮሚሽን መረጻ፡ ሚስተር ነጊ ቅድሚ እቲ ብ12 ሕዳር ዝካየድ መረጻ፡ ብፖስታ ድምጺ ኣብ ዝሃቡሉ እዋን፡ ቀይሕ ምንጻፍ ኣንቢሮምሎም ነይሮም። ማዕከናት ዜና ህንዲ፡ ሚስተር ነጊ ኣብ ዳስ መረጻ ዘይተሳተፉ ንመጀመርታ ግዜ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ብሰንኪ ሕማም ቀዲሞም ድምጺ ክህቡ ከም ዝመረጹ ሓቢረን። ሚስተር ነጊ፡ ኣብ 2014 ድምጺ ምሃብ ንምትብባዕ ኣብ ዝገበርዎ ጻዕሪ፡ ኣምባሳደር ምልክት ኮሚሽን መረጻ ተገይሮም፡ ሰባት ኣብቲ ዓመት ሓፈሻዊ መረጻ ድምጾም ክህቡ የተባብዑ። ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ወረቓቕቲ ኣብ ዝተለጠፈሉ እዋን፡ ሚስተር ነጊ መንእሰያት ድምጾም ክህቡ ዝጽውዕ መግለጺ ከም ዝሃቡ፡ ጋዜጣ ህንዲ ዘ ትሪቢዩት ጸብጺባ። \"ነጻነትና ብምጥቃም ኣብ መረጻ ምክፋል መሰልና ጥራሕ ዘይኮነስ ግቡእና ስለዝዀነ ኣብ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ንምስታፍ መናእሰይ ንቕድሚት ክመጽኡ ይግባእ፡\" ክብሉ ተዛሪቦም። ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ፡ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ መረጻ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ንሚስተር ነጊ ክብሪ ሂቡ። ሬሰኦም ድማ፡ ኣብታ ኣብ ካልፓ እትርከብ ቁሸቶም ብሙሉእ መንግስታዊ ስነስርዓት ቀብሪ ክዓርፍ ምዃኑ ተገሊጹ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cql09g1pezxo"} {"headline":"ኮምፕዩተር ዝተገጥመሉ ልቃብ እግሪ ተጠቒማ ክትንቀሳቐስ ዝኸኣለት ህጻን","content":"ኢንግሊዝያዊት ጓል ሸሞንተ ዓመት ሃርሞኒ ሮዝ ኣብ ግዜ ቁልዕነታ ኢዳን እግራን ስለዝተቖረጹ ክትንቀሳቐስ ኣይትኽእል ነይራ። ሕጂ ግን ቴክኖሎጂ ኮምፒዩተር ዝተገጠመሉ ልቃብ እግሪ ተጠቂማ ንምንቅስቓስ በቒዓ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cevg99qrrxjo"} {"headline":"ሓደ ማራቶን ኣብ መዓልቲ - ን365 መዓልታት ዝጐዪ ዘሎ ሰብ","content":"እቲ ን365 ማራቶን - ሓደ ማራቶን ንመዓልቲ - ዝጐዪ ዘሎ ጐያዪ ዝሓለፈ ሰሙን ንመበል 310 ግዜኡ ብምጕያይ ዕላማኡ ንኽወቅዕ ንቕንያት ልደት የማዕዱ ኣሎ። ጋሪ ምኪ ዝስሙ ወዲ 52 ዓመት እንግሊዛዊ - ካብ ክሊተር-ሞር እትበሃል ቍሸት (ኣብ ካምብርያ ዝበሃል ዞባ እንግሊዝ) - ካብ ሓድሽ ዓመት ጀሚሩ ሓደ ማራቶን ንመዓልቲ ብምጕያይ ንዓለም የዛርብ ኣሎ። ዕላማ ጋሪ ምኪ ክብረ-ወሰን ንምስባር ጥራይ ዘይኰነስ እቲ ቀንዲ ዕላማኡ ንሕሙማት መንሽሮ ዝሕግዛ ማሕበራት ገንዘብ ንኸዋጽኣለን ኢሉ’ዩ መዓልቲ-መዓልቲ ዘብ-ዘብ ዝብል ዘሎ። ጋሪ ምኪ፡ ዓሚ’ውን ተመሳሳሊ ኣብ መብጽዓ ዝተሞርኰሰ 110 ማራቶናት ኣብ 110 መዓልታት ብምጕያይ ብርክት ዝበሉ ኣርእስተ-ዜናታት ፈጢሩ ነይሩ’ዩ። እዚ ዓመት’ዚ ኸኣ መብጽዓኡ ካብ 110 መዓልታት ማራቶን ናብ 365 ኣደይብዎ ይርከብ።  ጕያኡ ምስ ወድአ ድማ ማዕረ ሓደ ሚልዮን ፓውንድ-ስተርሊን ንማክሚላን-ክንክን-መንሽሮ ዀነ ሆስፒታል-መንበሪ-ሽማግለታት ክእክብ ተስፋ ኣለዎ። እቲ ዘገርም ነገር፡ እዚ ጐያዪ’ዚ መዓልታዊ ስራሕ ኣለዎ። ጋሪ ምኪ ኣብ ሓደ ‘ሰላፊልድ’ ዝበሃል ንኑክሌሳዊ-ጐድፍ ዘጻሪ ትካል’ዩ ዝሰርሕ። ብጊሓት ወጺኡ ይጐዪ’ሞ ድሕሪ-ቀትሪ ኣብ ስራሕ ይኣቱ። እዚ ተታሒዝዎ ዘሎ ጕያ-365 ብዙሕ መስዋእቲ’ዩ ዝሓትት። ዕማም ጕያኡ ንኸካይድ ካብ ኣዕሩኽቱ ተፈልዩ፡ ካብ ማሕበራዊ ናብራኡ ተኣልዩ፡ ካብ ፓብ (መዘናግዒ ቤት መስት) ርሒቝ፡ ዓመታዊ ምስ ስድራቤቱ ዝገሸሉ ግዜ ዕረፍቱ ወፍዩ’ዩ ዝጐዪ ዘሎ። ኣብ ከምዚ ዓይነት በዳሂ ጕያ ዝኣተወሉ ምኽንያት ንተዘክሮታት ኣቦኡ ወላዲኡ ንከኽብር ክብል’ዩ ኣትዩዎ። ኣቦኡ ብ1997 ብሕማም መንሽሮ ምስ ተታሕዘ እቶም ዘልዕልዎ ዝነበሩ ርህሩሃት ማሕበራት ጽቡቕ ስለ ዝገበሩሉ፡ ብሕልናኡ ተቐሲቡ ዕዳኡ ንምምላስ ብጕያ ገንዘብ ከዋጽኣሎም ጀመረ። ኣቦኡ ብ2003’ኳ እንተ ሞተ ጋሪ ገና ብጕያ ይኽሕሶም ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ ጋሪ ምኪ ንሕሙማን መንሽሮ ገንዘብ ንኽእክብ ኢሉ ኣብ ብርክት ዝበሉ ውድድራት ተኻፊሉ’ዩ። መደብ ሓገዝ ንሑሙማን  ቅድሚ ዕስራ ዓመት’ዩ ጀሚርዎ። ካብኦም ሒደት ንምጥቃስ፡ ኣብ እምባ ክሊማንጃሮ (ታንዛንያ) ዝተኻየደ ማራቶን ጠሓሒሱ ደዪቡዎ’ዩ። ዓሚ፡ ቅድሚ 110 ማራቶናት ምጕያዩ፡ ካብ ደቡባዊ ጫፍ ዓዲ እንግሊዝ ክሳብ ሰሜናዊ ጫፍ፡ 970 ኪ.ሜ. ዝርሕቀቱ ቦታ ብጕያ በጺሑ’ዩ።  ሽዑ ካብዚ ዝጐየኽዎ ብዝያዳ ንኽጐዪ ገና ዕቝር ዓቕሚ ኣሎኒ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። እንሆ ኸኣ ንጕያ-365 ክዛዝሞ ቀሪቡ ይርከብ። “ንዓይ እዚ ዓይነት ጕያ’ዚ ንኽጐዪ ብዙሕ ኣየሸግረንን’ዩ፣ ንሓደ ማራቶን ብኣርባዕተ ሰዓት ወዲአ ንድሕሪ-ቀትሪ ስራሕ ክኣቱ ዳርጋ ለሚደዮ’የ። እቶም ብሕማም መንሽሮ ዝተታሕዙ ሰባት ክሳቐዩ ምርኣይ ግን ከቢድ’ዩ” ኢሉ ከም ዝተዛረበ ኣብ ጋዜጣታት ተዘርጊሑ ነይሩ። “ኣቦይ ብመንሽሮ ሳምቡእ ክሳቐ ሕማቕ ግዝያት’ዩ ኣሕሊፉ፣ ብሓቂ ብዙሕ’ዩ ተሳቕዩ። እቲ ዝመነ ስቅያቱ ኵሉ ግዜ’ዩ ዝዝከረኒ። ሕጂ ሰባት ብመንሽሮ ክሳቐዩ ክርእዮም ኣየኽእለንን፣ ብዙሕ ገንዘብን ሓገዝን’ዩ ዘድልዮም። ምእንታኡ ኸኣ’የ ብጕያ ገንዘብ ክእክበሎም ዝተበገስኩ” ይብል ጋሪ ምኪ። ሱ ማክዶናልድ እትበሃል ሓላፊት ማክሚላን-ማእከል-መንሽሮ ከም ዝበለቶ፡ “ንጋሪ ምኪ፡ በቲ ዓሚ ዝገበረልና ግዙፍ ሓገዝ ኣዚና ኢና ነመስግኖ፣ ሕጂ ኸኣ እንሆ ንጕያ-365 ተታሒዙዎ ማዕረ ሓደ ሚልዮን ፓውንድ-ስተርሊን ንኽእክበልና ካብ ሓድሽ ዓመት ጀሚሩ ክሳብ ቅንያት ልደት መዓልቲ-መዓልቲ ይጐዪ ኣሎ ... ከምዚ ዘኣመሰለ ትግሃትን ቈራጽነትን ክርድኣኒ ኣይክእልን” ኢላ ብኣድናቘትን ምስጋናን ትምስክር። ዓሚ ማክሚላን-ማእከል-መንሽሮ ካብ ዝምስረት 110 ዓመቱ ክጽንብል ጋሪ ድማ ነቲ ማእከል 110 ማራቶናት ብምጕያይ ተሓወሶ። ጕያኡ ምስ ወድአ ነቲ ማእከል-መንሽሮ £110,000 ዝኣክል ገንዘብ ክእክብ ከሎ፡ ነታ ኣብ ዝነብረላ ንእሽቶ ከተማ ዝርከብ መሕደሪ ሽማግለታት ድማ ልዕሊ £10,000 ክእክብ ክኢሉ ነይሩ። ኣልፊ፡ 16 ዝዕድመኡ ዓቢ ወዱ ምስ ስቲዋርት ዝበሃል ወዲ-ሓዉ ኰይኖም ብብሽክለታ ኣሰንዮሞ’ዮም። እቶም ክልተ ነኣሽቱ ደቁ - ሚኒ ምስ ቦ - እውን ንኣቦኦም ብዝከኣሎም ዓቕሚ ሓጊዞም’ዮም። ሓደ ከቪን ዝበሃል ዓርኩ’ውን ክሳብ55 ማራቶናት ዝውድእ ምስኡ ጐይዩ እዩ፣ እቲ ዝተረፈ ድማ ማይክል ዝበሃል ካልእ ዓርኩ ከም ዘሰነዮ ይፍለጥ። ን 110 ማራቶናት ምስ ወድአ መቕርቡን ደቂ ዓዱን ሓጐሶም ክገልጹ ከለዉ፡ ጋሪ ንባዕሉ ግን ክንድቲ ንሳቶም ዝተሓጐስዎ ኣይተሓጐሰን ክበሃል ይከኣል። ምኽንያቱ ምስ ሓተትዎ ኸኣ “ሕጕስ’የ፣ ግናኸ እቲ ጕያ ደው ምስ ኣበልኩ እቲ በብመዓልቱ ዝእክቦ ዝነበርኩ ሓገዝ ገንዘብ ከብቅዕ ምዃኑ ስለ ዝርድኣኒ ቍሩብ ቅር ይብለኒ - እቶም ሕሙማት ዝያዳ ሓገዝ ከም ዘድልዮም እፈልጥ’የ” ኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ። ነበርቲ እታ ዝነብረላ ቍሸት - ክሊተር ሞር - ቍጽሮም 6,000-62,000 ጥራይ’ኳ እንተዀነ፡ በቲ ጋሪ ዘበርከቶ ግሩም ኣበርክቶ ሕቡናት ምዃኖም’ዩ ዝግለጽ። ሽዑ ጕያኡ ምስ ወድአ ድማ ምስ ደቂ ዓዱ ቢራ ዓቲሩ ንቢራ ክሳብ ክንደይ ከም ዝናፈቘ ተዛሪቡ። እንሆ ኸኣ ሕጂ ንናይ ዓሚ መብጽዓኡ ብዓሰርተ ዕጽፊ ኣባዚሑ ኣብ ጕያ-365 ይርከብ፤ ክዛዝሞ ድማ ቀሪቡ ኣሎ። ጕያ ማራቶን ኣብ ኣካላትና ገለ-ገለ ሳዕቤናት ከም ዘለዎ ሓካይም ይገልጽዎ’ዮም፤ ንሰብነትና ሓጸልጸል’ዩ ዘብሎ። ጋሪ ምኪ ግን ንኣካላቱ ዝብድሁ ጸገማት ኣብ ግምት ከየእተወ ክሳብ ሕጂ ዓወት ኣብ ልዕሊ ዓወት ኣብ ምጕንጻፍ ይርከብ። ድሕሪ ጕያ ማራቶን ሰብነትና ንኽጥዒ ወይከኣ ኣብ ዝነበሮ ንኽምለስ እንታይ’ዩ ዘድልዮ? ብርክት ዝበሉ መርበባት ጥዕና ከም ዝሕብርዎ፡ ሓደ ሞያዊ ጐያዪ ማራቶን ድሕሪ ጕያ ብውሑዱ ንሓደ ሰሙን ከዕርፍ ከም ዝግባኦ ይሕብሩ። ኣብ ናይ ርሑቕ ጕያ፡ ምናዳ ኣብ ጕያ-ማራቶን፡ ምስ እንሳተፍ ሰብነትና ካብ ዝግባኦ ንላዕሊ ስለ ዝሰርሕን ዝሃልኽን፡ ንዝተኸዘነ ጕልበትና መጽዩ’ዩ ዝውድኦ።  ከምኡ’ውን ኣብ ዉሽጢ ኣካላትና ዝርከብ ፈሳሲ ኣንቂጹ ንጭዋዳታትና ብምህሳይ (ከም ሓውሲ ምብሳዕ) ከድክመና ስለ ዝኽእል ንኣካላትና ናብ ንቡር ንክንምለሶ ዕረፍቲ የድልየና። ድሕሪ ሒደት መዓልታት ቅልል ዝበለ ምውስዋስ ኣካላት፡ ከም ምሕንባስ፡ ሓጺር ጕያ፡ ወይከኣ ብብሽክለታ ምንቅስቓስ፡  ኣድላዪ’ዩ። እቲ ዘገርም ግን ጋሪ ምኪ መዓልቲ-መዓልቲ ከየዕረፈ ሓደ ማራቶን ክጐዪ ብምኽእሉ’ዩ። እቶም ጕያ-ማራቶን ዘስዕብዎም ድኻማት ከመይ ኢሉ ክጻወሮም ይኽእል ንባዕሉ ካልእ ሓቶታት'ዩ ዘስዕብ። “ድሕሪ ጕያ ኣብ ስራሕ ምስ ኣተኹ ኮፍ ኣይብልን’የ፣ ብእግረይ ላዕልን ታሕትን’የ ዝብል” ይብል ጋሪ። ጋሪ ምኪ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ኣብ ከባቢ ለንደን ዝርከብ ስታድዩም ክጐዪ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብቲ ጕያ ንዅሎም ግዱሳት ሰባት ምስኡ ክጐዩ ዓዲሙዎም ኣሎ። ሞ-ፋራሕ፡ እቲ ዓሰርተ ወርቂ መዳልያ ዝተሸለመ ህበቡ ጐያዪ፡ ሽዑ ምስኡ ክጐዪ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ ልዕሊኡ ዘለዎ ኣድናቘት’ውን ገሊጹ። እዚ ብጸሓይን ብማይን ከይተሰናኸለ ብቐጻሊ ዝጐዪ ዘሎ ሰብ ዒምም ከይበለ፡ ንግሆ-ንግሆ ዕጥቍ ዓጢቝ ብቘራጽነት ንሕሙማን መንሽሮ ክሕግዝ ብምብጋሱ “ብሓቂ ተጸዋርነቱ ንምእማን ዘሸግር’ዩ” ክብል ሞ-ፋራሕ ገሊጹዎ። ጋሪ ምኪ ድማ ሞ-ፋራሕ ከምዚ ዘኣመሰለ ድጋፍ ብምሃቡ ኣዝዩ ኣሐጒስዎ። ሓንቲ ደኒስ ዊልያምስ ዝተባህለት ነርስ - ኣብ ሓደ እቲ ጐያዪ ዝሕግዞም ዘሎ እንዳ መሕደሪ ሽማግለታት እትሰርሕ - “ንጻዕርን ቈራጽነት ጋሪ ምኪ ኣዝየ’የ ዘድንቕ” ትብል። “ኣበርክቶኡ ገንዘብ ንምውፋይ ጥራይ ዘይኰነ ብሕማም መንሽሮን ብጸገማት ሽማግለታት ንዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ዓይኖም ከንቍሑ ብምኽኣሉ’ዩ” ኢላ ንኣድናቘታ ምስጋና ወሲኻ ትምስክረሉ። ማይ ክወቅዕ፡ ዛሕሊ ኣየር ከንቈልቍል፡ ወይ ከኣ ሙቐት ምስ ዝሕይል፡ ጋሪ ንኸዕርፍ ከም ምኽንያት ኣይጥቀመሎምን’ዩ። ይብል ከኣ፡ “ኵነታት ኣየር ካብ ቍጽጽረይ ወጻኢ ስለ ዝዀነ ዕሚም ከይበልኩ ክምክቶ ከም ዝግብኣኒ እፈልጥ’የ፣ ኰይኑ ድማ ከም ዕንቅፋት ገይረ ኣይርእዮምን’የ። እቶም ብሕማቕ ሕማም ዝተታሕዙ ሰባት ዘሕልፍዎ ስቓይ ወትሩ ጦብላሕ ስለ ዝብለኒ፡ ማይ፡ በረድ፡ ሕሉፍ ሙቐት ግዲ ኣይገብረሎምን’የ” ይብል። ጋሪ ምኪ ኣበይ ከም ዝበጽሐ ምፍላጥ በዚ ናይ ትዊተር ኣድራሻኡ ክትከታተልዎ ትኽእሉ፡  @Marathon_Man365","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cgl1r4x101po"} {"headline":"ወለድኹም ፈጺሞም ዘይነግሩኹም ታሪኽ","content":"ስነ ጥበባዊ ቻርሊ ኤክሲኤክስን ኣባል ባይቶ ፕሪቲ ፓተልን፡ ካብቶም ብ1971 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ካብ ዩጋንዳ ዝሃደሙ ኤዥያዊ ሓረግ ዘርኢ ዘለዎም ኢንግሊዛውያን ኤስያውያን እዮም። ውልቀ መላኺ ዩጋንዳ ኢዲ ኣሚን፡ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዝነበሩ ኣስታት 70 ሽሕ ኤስያውያን ኣብ ውሽጢ 90 መዓልታት ክትወጽኡ ኣለኩም ዝብል መምርሒ ሂቡ ነይሩ። እዚ፡ ሎሚ 50 ዓመት መሊኡዎ ኣሎ። ከም ኣቆጻጽራ ኤውሮጳውያን ብ1894፡ ዩጋንዳ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብሪጣኒያ ኣብ ዝነበረትሉ፡ ብዙሓት ህንዳውያን መገዲ ባቡር ክሃንጹ፡ ናብ ዩጋንዳ መጺኦም። እቶም ኣብኡ ዝተረፉ፡ ኣብ ቑጠባ እታ ሃገር ዓብላልነት ዘለዎም ኮኑ፤ ኢዲ ኣሚን ግን ነዚ ኣይተቐበሎን። መብዛሕትኦም ፓስፖርት ብሪጣኒያ ዝነበሮም ብውሑድ 30 ሽሕ ዝዀኑ ኤስያውያን ደማ፡ ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ መጺኦም። እቶም ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝኣተው፡ ካብታ ሃገር ክወጽኡ ኣብ ዝፍትንሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣካላዊ መጉዳእቲ ዝርከቦ ብዙሓት ጸገማት ኣጓኒፉዎም’ዩ። ገሊኦም ክኣ፡ ኣብ ብሪጣኒያ ከም ብሓድሽ እግሮም ክተኽሉ ጻዕሪ ኣብ ዝገብርሉ እዋን ዓሌታውነት ገጢሙዎም። ሎሚ፡ ኡጋንዳውያን ኤስያውያን ኣዝዮም ዕውታት ትካላት ዝውንኑን ንመጻኢ ወለዶኦም ባይታ ዘንጸፉን ኰይኖም ኣለው። እንተዀነ፡ ሕጂ’ውን ብዙሓት ንደቈም ዘይዛረቡዎ ታሪኽ ኣለዎም። ሕጂ፡ 50 ዓመት ናይ ስደት ህይወቶም ኣብ ዝዝክርሉ ግዜ፡ መናእሰይ እንታይ ከም ዘጋጠሞም ክሓቱዎም ጀሚሮም። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣንኩር ዲሳይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ዩ ንፈለማ እዋን ኣዲኡ ኣብ ዩጋንዳ ብዛዕባ ዝነበራ ናይ ቁልዕነት እዋን ሓቲቱዋ። እቲ፡ ካብታ ሃገር ወጺኦም ክኸዱ ዝተዋህበ መምርሒ “ሃንደበት ዝመጽአ’ዩ” እትብል ምሩዱላ፡ ሰባት እቲ መምርሒ ሓቂ ከምዘይመሰሎም ትገልጽ። “ኢዲ ኣሚን፡ ደቂሱ እንከሎ ኩሎም ህንዳውያን ካብ ዩጋንዳ ከወግዶም’የ ኢሉ እዩ ሓሊሙ ይብሉ ነይሮም። ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ግን፡ ናይ እማን ምዃኑ እናርኣዩዎ መጺኦም፤ ሰራዊት ክኣ ምስ ሰባት ክጓነጹ ጀሚሮም። ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ምኻድ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ነይሩ። እቶም ወተሃደራት ጠጠው የብሉዎም፣ ይሃርሙዎም፣ ዝሓዙዎ ይሰርቁዎም ነይሮም። ወርቂ፣ ገንዘብ - ኩሉ። ኩሉ ሰብ ንክሃድም ጥራይ ይጓየ ነይሩ” ትብል። ይኹን’ምበር፡ ምሩዱላ ቅድሚ እዚ ብኢዲ ኣሚን ዝተዋህበ ቀጢን መመርሒ ዘዋህለለቶም ጽቡቓት ዝኽርታት ኣለውዋ። “ኣብ ዩጋንዳ ዝነበረ ህይወት ፈጺመ ኣይርስዖን። እተን ናይ 90 መዓልታት ትእዛዝ እንተዘይመጽኣ ነይረን፡ ኣዝዩ ብሉጽ ህይወት ምነበርና ነይርና” ኢላ። ኣንኩር፡ ኣዲኡን ስድራቤቱን ዘሕለፉዎ ህይወት ምስማዕ፡ ዓይኑ ከም ዝኸፈተሉ ይዛረብ። “ጽንዓቶምን ቆራጽነቶምን ንኹላትና ጸገም ኣብ ዘጋጥመና እዋን ትምህርቲ'ዩ። ወለደይ ምስቲ ክሰግርዎ ዝነበሮም ዕንቅፋታትን መሰናኽላትን ብምንጽጻር፡ ንዓይ ፍሉይ ዕድል ዘለዎ መድረኽ ክህቡኒ ከይተሓለሉ ሰሪሖም\"። ኣቦ ሳንጄይ ዳታኒ ሳኒል፡ ተመሃራይ መባእታ ቤት ትምህርቲ እንከሎ’ዩ ካብ ዩጋንዳ መጺኡ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ፋብሪካታት ስራሕ ረኺቡን መራሒ ኣውቶብስ ኰይኑ ሰሪሑን። ዩጋንዳውያን ኤዥያውያን፡ መንፈስ ፈጠራውነት ስራሕ ኣለዎም ይብሃል። ብ1981 ድማ፡ ሱኒል ኣብ ሌስተር ናይ ባዕሉ ንግዲ ከፊቱ - ሬድ ሮዝ ሽም እቲ ናይ መርዓ ስእልን ቪድዮን ዝሰርሓሉ ትካሉ’ዩ። ኣቡኡ፡ ካብ ህንዲ ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ምስ መጽአ ዝሰርሖ ንግዲ ስለ ዝዀነ ንሱ’ውን ነዚ ኣሰር ክኽተል ድልየት ሓዲሩዎ። ግን፡ ቀሊል ኣይነበረን። “ናብዚ ዓይንና ተሸፊኑ ኢና መጺእና። ከቢድ ነይሩ፤ ከበድቲ ጊዜያትን ንክትነብረሉ ዝኸብድ ቦታን። ትሸዓተ ቈልዑ ዝርከቦ ስድራ ኣብ ሓደ ገዛ ኢና ንነብር ነይርና” ይብል። ብ1972፡ ካውንስል ከተማ ሌስተር፡ ሰባት “ናብ ሌስተር ከይመጽኡ” ዝብል ሓበሬታ ኣብ ጋዜጣ ዩጋንዳ ኣሕቲሙ። ሱናሊ፡ ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ምስ መጽአ ዓሌታውነት ገጢሙዎ’ዩ። ግን “ንዕኦም’ውን ሓድሽ ነገር ኰይኑዎም’ዩ ኢለ ይግምት። ከመይ ኢሉ’ዩ ኩሎም ኤስያውያን ናብዚ መጺኦም?” ይብል። ወዱ ሳንጄይ፡ ዋላ’ውን እቶም ማሕለኻታት እንተበዝሑ፡ “እቲ ኩነታት ብዘየገድስ፡ ንግዲ ምጅማር፣ ምፍታንን መዋጽኦ ምፍጣርን ኣብ ደምና ዘሎ ነገር’ዩ” ኢሉ። ጓል 29 ዓመት ቫኒሻ ስፓርክስ፡ ንነዊሕ ዓመታት ብዛዕባ “መበቈለይ ዋላ ሓደ ኣፍልጦ ኣይነበረንን፤ ብፍላይ ብዛዕባ ዩጋንዳ” ትብል። ኣዲኣ ጄዮቲ ሓንቲ ካብቶም መጀመርታ ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝኣተው ክልተ ሽሕ ኤስያውያን እያ። ናብታ ሃገር ምስ መጽኡ፡ መጀመርታ ኣብ ሳፎልክ ኣብ ዝርከብ መዕቈቢ እዮም ኣትዮም። እዚ ኣርኤኤፍ ስትራንዲሻል ዝበሃል ቦታ ሕጂ ቤት ማእሰርቲ እዩ። “ኩሉ ነገር ተገዲድካ ንድሕሪት ገዲፍካዮ ምውጻእ ፈጺመ ክሓስቦ ኣይክእልን። ማለት፡ ልክዕ፡ ሰባት ገዛኺ ብሓዊ ክቃጸል’ዩ እሞ ሒደት ዘድልየኪ ነገራት እንታይ ኣሎ ክብሉኻ እንከለው እዩ” ትብል ቫኒሻ። ንሳ፡ እቲ ዩጋንዳውያን ኤስያውያን ዝሓለፉዎ ህይወት ዚያዳ ንምርዳእ ናብቲ ተዓቊቦምሉ ዝነበረሉ ሕጂ ቤት ማእሰርቲ ዝዀነ ቦታ ከይዳ እያ። “ኣብዚ ዘለው ሰባት፡ እዚ ጥራይ ጁባኦም ዝመጽኡ ኤስያውያን መዕቈቢ ኰይኑ ዘገልገለ ቦታ ኣይፈልጡዎን። ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ነገራት ብዙሕ ዝኽሪ ክህሉ ኣለዎ። እዚ ታሪኽ ዩጋንዳዊ ኤስያዊ ጥራይ ኣይኰነን። እዚ ኣካል ኩሉ ታሪኽና ስለ ዝዀነ ኩሉ ብሪጣኒያዊ ክፈልጦ ዘለዎ እዩ”። ኣደ ራፐር ፕሪሜዝ፡ ካብ ዩጋንዳ ኣቡኡ ድማ ካብ ኬንያ እዮም። “ቈልዓ እንከለኹ፡ ካብኡ ከም ዝመጽኡ ፈሊጠ፤ ግን የደናግረኒ ስለ ዝነበረ ‘ኣብ ህንዲ ዝነበርና መሲሉኒ’ ይብል ነይረ” ይብል። ፕሪሜዝ፡ ስድራቤቱ “ኣፍሪቃ ኣብ ደምካ’ያ” ይብሉዎ ከም ዝነበሩ ይገልጽ። እንተዀነ፡ ብዙሓት ሰባት ድሕረ ባይትኡ ኣይርድኡዎን። “ኣደይ ካብ ኣፍሪቃ ከም ዝዀነት ክነግሮም እንከለኹ፡ ‘ዋእ፤ ጸሊም ኣይኰንካን ይብሉኒ”። ብ1997፡ ገለ ኣባላት ስድርኡ ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቬኒ ናብ “ገዝኦም” ክምለሱ ዘቕረቦ ጻውዒት ከም ዝተቐበሉዎ ይዛረብ። “ኣብኡ ንግዲ ጀሚሮም ይነብሩ ኣለው፤ ሕጉሳትን ብልጹጋትን’ዮም” ኢሉ። ታሪኽ ወለዱ ምስማዕ፡ ፕሪሜዝ፡ ኣዝዩ ዝተፈለየ ኣመለኻኽታ ክሕዝ ጽልዋ ኣሕዲርሉ’ዩ። \"በቃ፡ ንዕኡ ካልእ ዓይነት ኣድናቖት ኣለኒ ምኽንያቱ ቅድሚ ሕጂ ንርእሰይ ጻዕራም ሰብ እየ ኢለ’የ ዝወስድ። ኣነ ግን ኣብቲ ደረጃ ከም ዘይበጻሕኩ ርዱእ'ዩ። እቲ ንሳቶም ዝሓለፉዎ፡ ዝተፈለየ’ዩ። \"እቲ ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብ ዩጋንዳ ዘጋጠመ ነገር ዝኸበደን ዝኸፍአን ነገር እዩ ነይሩ። ብዙሓት ሰባት ግን ናብዚ ምስ መጽኡ ቀይሮምዎ። \"ብሓቂ ካብ ሕማቕ ኩነታት ዝበለጸ ውጽኢት ኣመዝጊቦም፡ ምኽንያቱ ብዙሓት ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝመጽኡ ሰባት ጥራሕ ኢዶም እዮም መጺኦም፤ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ብሓቂ ጽቡቕ ሰሪሖም'ዮም።\"","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cy6d05991x5o"} {"headline":"ኣብ ልዕሊ ህጻናት ፆታዊ ግህሰት ንኽፍፅሙ ንሰባት ዝኸፈል ዝነበረ ን25 ዓመታት ተፈሪዱ","content":"ኣብ ሃገራት ኤስያ ንዝርከቡ ሰባት ገንዘብ ብምኽፋል \"ዘስካሕክሕ\" ጾታዊ ዓመጽ ህጻናት ንክፍጽሙ ዝገብር ዝነበረ ፒዶፊልየኛ (ኣብ ህጻናት ስሕበት ጾታዊ ርክብ ዘለዎ ሰብ) ን25 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ። ሃገራዊ ትካል ገበን ከም ዝበሎ፡ ወዲ 59 ዓመት ኢያን ዊንተር፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብቪድዮ ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ክልተ ዝተፈላለዩ ደቂ ክልተ ዓመት ኣወዳት ንዝፍጸም ግህሰት ቀዲሑ'ሎ። ምስ ካልኦት ገበነኛታት ኣብ ዝገበሮ ናይ ኢንተርነት ዕላል፡ \"ምስ ዕሸላትን ህጻናትን ጾታዊ ርክብ ከም ዝምስጦ\" ገሊጹ። ዊንተር 17 ሽሕ ዘይጭዋ ምስልታት ህጻናት ከም ዘለዎ እውን ተረጋጊጹ። ነባሪ ሎውቦሮ፡ ሌስተርሻየር ዝኾነ ዊንተር፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2020 ብሃገራዊ ትካል ገበን ዝተታሕዘ ክኸውን እንከሎ፡ መርመርቲ፡ ኣብ መላእ ዓለም ምስ ዝመደበሮም ገበነኛታት ክዛረብ ዘርኢ ኣሽሓት ናይ ኢንተርነት ዕላል ረኺቦም’ዮም። ናይ ኢንተርኔት ዕላላትን ፋይናንሳዊ መዛግብትን ከምዘመልክትዎ፡ ዊንተር ኣብ 2019 ኣብ ፊሊፒንስ ሓደ ሰብኣይ ንሓደ ወዲ ክልተ ዓመት ቆልዓ ኽግፍዓሉ ብቪድዮ ደዊሉ ንምርኣይ ገንዘብ ከፊሉ ነይሩ። እቲ ሰብኣይ፡ ኣብ ፋይናንሳዊ ጸገም ከምዘሎን ን\"ጸባን ዳያፐርን\" ዝኸውን ገንዘብ ከምዘድልዮን ንዊንተር ከምዝነገሮ እቶም መልእኽትታት ይሕብሩ። ድሒሩ ዊንተር ዝርዝር ናይቲ ፊሊፒናዊ ሰብኣይ ናብ ካልእ ተጠቃሚ ኦንላይን ኣመሓላሊፉ፡ ንሱ ድማ \"ንሓደ ምርኢት 125 ዶላር \"ኣቐዲሙ\" ክኸፍል ድሉው ምዃኑ ገሊጹ። እቲ ፊሊፒናዊ ሰብኣይ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ን15 ዓመታት ክእሰር ከምዝተፈርደን ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ነቲ ህጻን ከምዝሕልውዎን ሃገራዊ ትካል ገበን ወሲኹ ሓቢሩ። ዊንተር ኣብ 2018 ኣብ ኢንዶነዥያ ንዝርከብ ካልእ ተባዕታይ መሳለጢ'ውን ሓያሎ ግዜ ብቪድዮ ደዊሉ ወዲ ክልተ ዓመት ቆልዓ ኽብድለሉ ንምርኣይ ከፊሉ ነይሩ። እቲ ሰብኣይ፡ እቲ ገንዘብ ንዲፕሎማኡ ንምኽፋል ከምዝደለዮ ገሊጹ። ዊንተር ካልኦት \"ስምዒታዊ ዕላላት\" ሓዊሱ ብዛዕባ ንህጻናት ምዕማጽ ካብ ምዝታይ ብተወሳኺ፡ ንኻልኦት ብኸመይ ከይተታሕዙ ግህሰት ክፍጽሙ ከምዝኽእሉ’ውን መኺሩ እዩ። ኣብ ቤት ፍርዲ ሌስተር፡ ኣብ ትሕቲ 13 ዓመት ዝዕድመኡ ህጻን ጾታዊ መጥቃዕትን ምዕማጽን ምትብባዕ ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ 13 ክስታት ገበነኛ ምዃኑ ድሕሪ ምእማኑ እዩ ተፈሪድዎ። ኣብ ሃገራዊ ትካል ገበን ዝሰርሕ ቶኒ ስሚዝ፡ \"ኢያን ዊንተር፡ ንፍቓደኛታት መሳለጥቲ ፍሉይ ኣንፈትን ፋይናንሳዊ ዓስቢን ብምሃብ ብኢዶም ኣቢሉ ኣብ ኣዝዮም ንኣሽቱ ህጻናት ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ግህሰት ዝፍጽም ዘይደኽሞ ጾታዊ ገበነኛ'ዩ\" ኢሉ። ዓቃቢት ሕጊ ኣገልግሎት ኣኽባር ሕጊ (ሲፒኤስ) ቢታንያ ረይን’ውን፡ \"ዊንተር ንዓበይቲ ብቪድዮ ብምድዋል ኣብ ህጻናት ጾታዊ ዓመጽ ንኽፍጽሙ ገንዘብ ብምኽፋልን ኣብ ካልእ ክፋላት ዓለም ንጹሃት ህጻናት ብምምዝማዝን ዘሕምም ምብስባስ ኣርእዩ\" ክትብል ወሲኻ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c03n3lpendvo"} {"headline":"ብሪጣንያ፡ ቅልውላው ስደተኛታት ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጸቕጢ ይሕይል","content":"ላዕለወይቲ ሚኒስተር (ጸሓፊት) ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ስወላ ብሬቨርማን፡ ኣብ ማእከል ስደተኛታት ኬንት እናኸፍአ ብዛዕባ ዝኸይድ ዘሎ ኵነታት ስደተኛታት መልሲ ክትህብ ጸቕጢ ክግበረላ ጸኒሑዩ። ኣብቲ ብሰንበት ኣብ ዶቨር ኣብ ዝርከብ ካልእ መጽለሊ ስደተኛታት ዘጋጠመ ሂወት 2 ሰባት ድሕሪ ምቑሳሎም ኣማኢት ስደተኛታት ናብቲ ማእከል ከምዝግዕዙ ተገይሩ ኣሎ። ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ውልቀሰብ ድሒሩ ሞይቱ ከምዝተረኽበ ፖሊስ ገሊጾም። ሚኒስተር ኢሚግረሽን ሮበርት ጀንሪክን ሓላፊ ላዕለዋይ ባይቶ ሰር ሮጀር ገይልን፡ ነቲ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእን ብዛዕባ መፍትሒኡ ንምዝታይን ብሰንበት ናብ ማንስቶን ማእከል መጻረዪ ስደተኛታት ድሕሪ ምብጻሕ፡ ሰር ገይል ስደተኛታት ናብ ሆቴላት ናይ ምውሳድ እምቢታ ናይታ ላዕለወይቲ ሚኒስተር ዘለዎ ቅሬታ ብምግላጽ፡ እቲ ሕንፍሽፍሽ ብሰንኪ ግጉይ ውሳነኣ ከምዝሰዓበ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ንኵነታት እቶም ኣብ ማንቶን ዝርከቡ ስደተኛታት ብዝምልከት ዓሰርተታት ትካላት ሰባኣዊ መሰላት ‘ሓላይን ኣድማዕን መስርሕ” ክትግበር ይጽውዑ ኣለዉ። ከም  'ክርስትያን አይድ' (Christian Aid)፡ ከምኡ'ውን 'ሰይቭ ዘ ችልድረን' (Save the Children) ዝበላ ማሕበራት ግብረሰናይ ድማ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሃጓፍ ሓትተቲ ዕቝባ ንምቕያስ፣ ብብዙሓት ትካላት ግብረሰናይ እተፈረመ፡ ዓለምለኻዊ ሕጊ መሰል ስደተኛታት ከኽብሩ፡ ውሑስ መዋጾኦ ክፈጥሩን ጉዳይ ስደተኛታት ብሚዛናዊ  ኣገባብ ክስማዕን ዘገድድ ቅሉዕ ደብዳቤ ሰዲደን ኣለዋ። እታ ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ነቲ ኣብ ማንስቶን ማእከል ስደተኛታት ብዛዕባ ዘሎ ኵነታት ንባይቶ  ከተፍልጥ ዝጽውዕ ጠለብ ካብ ላዕለዋይ ባይቶን ካሎኦትን ይቐርበላ ብምህላዉ፡ ሎሚ መልሲ ሂባ ኣላ ። ኣብቲ ኣብ ወስትሚኒስተር ዝተኻየደ ርሱን ክትዕ፡ ሱወላ ብሬቨርማን ነቲ ኣብ ማንስተን ዘጋጠመ ዕልቅልቕ ንምፍዃስ ስደተኛታት ናብ ሆቴል ከይከዱ ዓጊታ ንዝብል ክሲ ነጺጋቶ። ይኹን እንበር፡ ነቲ ኣናወሰኸ ዝመጸ ቁጽሪ ስደተኛታት ዝኣክል ሰፊሕ መዕቆቢ ከተዳሉ  ዝቐረበላ ሕጋዊ ምኽሪ ዕሽሽ ከም ዝበለቶ ብምጥቃስ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ኣማራጺታት መዕቆቢ ከዳሉ ብዘይምኽኣሉ ካብ ሰበስልጣን መንግስቲ መጠንቀቕታ ከምዝተዋህቦ ምንጭታትና ንቢቢሲ ሓቢሮም። ንሳ ዝኮነ ይኹን ሕጋዊ ምኽሪ ከምዘይነጸገት፡ እኳ ደኣ ኣብ ትሕቲ ምሕደራኣ 30 ሓደስቲ ሆቴላት ስደተኛታት ክጥቀሙ ከም ዝተሰማምዐትን ኣማራጺታት ንምርካብን ኣጸቢቓ ከም ዝጸዐረትን ትገልጽ። ነቲ ካብ  ቁጽጽር ወጻኢ እናኾነ ዝኸይድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደተኛታትን ንዘሎ ዝተሰባበረ መስርሕን፡  ምስ ሰበስልጣን ፈረንሳ ብምዕያያን ንገለ  ካብቶም ሓተቲ ዕቁባ  ናብ ሩዋንዳ ብምምላስ  ከም እተዕርዮን'ውን ቃል ኣት. ነቲ ብመትረብ ዝመጸእ ስደተኛ ልጓም ከምትገብረሉን ገለ ገለ ፖሊሲታታ ድማ ነቲ ኣብ ደቡባዊ ገማግም ዘሎ “ወራር” ዝበለቶ ዝገትእ ምዃኑን ተዛሪባ። ይኹን እምበር ሰልፊ ዕዮ ነቲ ዝሃበቶ ምላሽ ብምኹናን፡ንመዝነታ ኣይብቕዕትን እያ ኢሉ ክኸስስ እንከሎ፣ ሓላፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ተቓዋሚ ሰልፊ ዕዮ  ዮቨት ኮፐር ብግዲኣ ኣብ ትሕቲ  ብሬቨርማን፡ ውሳነ ምሃብ ኣብ ውሽጢ'ቲ ክፍሊ የለን ክትብል ብምኽሳስ፡ ከመይ ገይሩ ዝኮነ ሰብ ደጊሙ ባኣኣን ውሳኔታታን ክተኣማመን ይኸእል ኢላ። እታ ሚኒስተር ንዋሕዚ ስደተኛታት \"ወራር\" ክትብል ምግላጻ'ውን ሓያል ነቐፌታ ኣስዒቡላ'ሎ። ኣቐዲማ፡ ንሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ክትወስድ ድሌት ክቱር ድሌት ኣለዋ ተባሂላ ክትንቀፍ ጸኒሓያ። ማንስተን፡ነቲ ብንኣሽቱ ጀላቡ ጌሮም ናብ ብሪጣንያ ዝኣትዉ እንዳዓበየ ዝመጸ ዋሕዚ ስደተንኛታት ከም መፈተሺ ነቑጣ፡ ን24 ሰዓት መጽንሒ ተባሂሉ ኣብ ኣብ ለካቲት 2022 ዝተከፍተ እዩ። ኩሉ መስርሕ ምዝገባን ምጽራይን ምስ ወዱኡ ድማ ናብቲ መዕቆቢ ስደተኛታት ማለት ሆቴል ይግዕዙ። ግናኸ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መርማሪ ጉዳይ ዶብን ስደተኛታትን  ደቪድ ኒል ኣብቲ ቦታ ክበጽሕ ምስ ከደ  ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብ መንጸፍ ክድቅሱ ዝቐነዩ ሰባት ረኺቡ። ንሱ ነቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ኵነታት ምስ ረኣየ ዝዛረቦ ጠፊእዎ ከም ዝተዓነደ ክገልጽ እንከሎ፡  ሰር ሮጀር ብወገኑ እቲ ግዝያዊ ን1600  ሰብ ተባሂሉ እተሰርሐ ሓይሊ ኣየር ንጉሳዊ ቤተሰብ ዝነበረ ሎሚ 4000 ስደተኛታት ኣዕቊቡ ከምዘሎ ኣቃሊዑ። ሰነ ብዝተገብረ ተፍትሽ ኣብ ዝወጸ ጸብጻብ፡ ኣተሓሕዛን  ምሕደራን  ሓደስቲ ስደተኛታት ብተዛማዲ ከምዝተመሓየሸን ብፕሮፈሽናል ኣገባብ ከም ዝካየድን ግናኸ  ዋሕዲ ዓራት፣ ማዓጹኦም ብግቡእ ዘይሰርሕ ዓይኒ ምድሪታት፡ ጽሩይ ኣየር ዝኣትወሎም መሳኹቲ ዘይምህላዎምን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘዘውትርሉ እኹል ቦታን ዝኣመሰሉ ጸገማትን፡ ቀረብ ተርጎምቲ ኩሉ ግዜ ዘየለ ምስ ምዃኑ ግና ዓቢ  ስጋኣት ከምዘለዎም ኣረዲኡ። ጋዜጣ ዘጋርድያን እውን 8 ሰባት ዲፍተርያ ብዝበሃል ተመሓላላፊ ሕማም ጐረሮ ከም እተለኽፉ ኣቃሊሑ። እቲ ተቖጻጻሪ ኣብያተ-ማእሰርቲ (ኢንስፐክተር) ቻርሊ ታይለር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያትን ተኾናተርትን ኢድን ጓንትን ኮይኖም ብምስራሕ ህጹጽ ፍታሕ ከምጽኡ ተላብዩ። ብሪጣንያ፡ ንሓተትቲ  ዑቕባ ንናይ ሆቴላት ወጻኢታት መዓልታዊ ከባቢ 7 ሚልዮን ዩሮ ተውጽእ። በቲ ካብ ፈረንሳ ብንኣሽቱ ጀላቡ ዝግበር ሓደገኛ ጕዕዞ ዛጊት ኣብዚ ዓመት እዚ  39,430 ሰባት ኣትዮም ኣለው። እቲ መንግስቲ ንዋሕዚ ስደተኛታትን ኣሰጋገርቲን ይቈጻጸሮም ኣለኹ’ኳ  እንተበለ፡ ክሳብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 2022 ጥራይ 63,089 ሰባት ዑቕባ ከምዝሓተቱ፣ እዚ ድማ ካብ 2019 ካብ ዝተመዝገበ ብ77 ሚእታዊት ከም ዝዛየደ ወሲኹ ገሊጹ። “ምስ ፈረንሳ ኣብ ከባቢ መሰጋግሪ መትረብ ዘተኮረ ሓድሽ ስምምዕ ከድልየና እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብተደጋጋሚ ኣብቲ ቦታ ገበናት ከም ዝበዝሑ ርኢና ኣለና። መንግስትውን ነቲ ዘሎ ኣካይዳ ምሉእ ብምሉእ ክተዓራርዮ ኣለዎ።’ ክትብል ኣብ ሰልፊ ዕዮ ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ዩቨት ኮፐር ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት ተዛሪባ። ኣፈኛ ክፍሎ ውሽጣዊ ጉዳያት እውን፡ “ብሪጣንያ ኣብ መሰል ሕጋውያን ስደተኛታት ምትግባርን ምውሓስን ኣዝዩ ዘሐብን ታሪኽ ኣለዋ፣ ኣብዚ ቀረባ ግዜውን ካብ ሆንግኮንግ፡ ኣፍጋኒስታንን ዩክረይንን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ሓንጐፋይ ኢላ ተቐቢላ እያ። \"ንዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእን፡ መስመራት ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ በቲኽና ነቶም ኣብ ብሪጣንያ ክነብሩ መሰል ዘይብሎም ናብ ርዋንዳ ንምምላስን ግን ብዘለና ዓቕሚ ክንሰርሕ ኢና” ኢሉ። ብሬቨርማን፡ ኣብ ጉዳይ’ቲ ብ19 ጥቅምቲ ከም ኣባል ካቢነ ቀዳማይ ሚኒስተር ሊዝ ትራስ ስልጣና ክትለቅቕ ዘገደደን ጸጥታዊ ሃጓፋት፡ ኣባላት ሰልፊ ዕዮ እውን ጸቕጢ ከገብሩላ ከም ዝኽእሉ ይግመት። ንሳ፡ ብሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ ዳግማይ ዝተሸመት ኰይና፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ “ጉድለት ከም ዝነበረ ተቐቢላ እያ” ብምባል ተኸላኺሉላ ኣሎ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c0xz635gq9yo"} {"headline":"ንኒያንደርታልስ ዘጽነቶም ጐንጺ ዶ ጾታዊ ርክብ?","content":"ኒያንደርታልስ ምስ ሆሞ ሳፒየንስ ምድቓሎም ኣብ ምጽናት ኒያንደርታልስ ዓብዪ ተራ ተጻዊቱ ክኸውን ከም ዝኽእል ሓድሽ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ። እዚ ንብዝሒ ንሓድሕዶም ዝዋሰቡ ኒያንደርታልስ ክውሕድን ንዕኡ ስዒቡ ድማ ናብ ምጽናት ከምርሑ ከም ዝገብረ፡ እቲ ኣብ መጽሄት ፓለኦ ኣንትሮፖሎጂ ዝተሓትመ ሓድሽ መጽናዕቲ ይሕብር። \"እቲ ንነዊሕ እዋን ዓብላሊ ኮይኑ ዝጸንሐ ክልሰ ሓሳብ፡ ኣብ ሞንጎ ሆሞ ሳፒየንስን ኒያንደርታልን ንጸጋታት ዝግበር ንሕንሕ ነይሩ ዝብል'ዩ” ክትብል ዶክተር ሉሲል ክሬት ንቢቢሲ ተዛሪባ። እቲ ዶክተር ክሬት ምስ ፕሮፌሰር ክሪስ ስትሪንገር ዝተባህለ መሪሕ ተመራማሪ ቤተ መዘክር ተፈጥሮኣዊ ታሪኽ ለንደን ብሓባር ዘካየድዎ ሓድሽ መጽናዕቲ ግን፡ ንጂን ኒያንደርታልስ ዘዳኸመ፡ ጐንጺ ዘይኮነስ ምትሕውዋስ ህዝቢ ምዃኑ ይሕብር። ፕሮፌሰር ስትሪንገር፡ \"እዚ ባህሪ ኒያንደርታልስ ብቐጻሊ ምስ ሆሞ ሳፒየንስ ይዋሰቡ እንተኔሮም፡ ንምጽናት እቶም ዓሌም ደሪኹ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ እዚ ድማ እቲ ህዝቢ ጠቕሊሉ ክሳዕ ዝጠፍእ ብዝሒ ህዝቦም ባሕጒጕ ይኸውን እዩ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪብና ኢና\" ይብል። ዲኤንኤ ኒያንደርታልስ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብህይወት ኣብ ዘሎ ሰብ ክርከብ ይኽእል እዩ። እዚ እንተላይ ኣብቶም ኣቦታቶም ምስዚ ጉጅለ ብቐጥታ ዘይራኸቡ ኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎም ሰባት ይርከብ። ኒያንደርታልን ሆሞ ሳፒየንስን ቅድሚ ኣስታት 600 ሽሕ ዓመታት ካብ ንሓድሕዶም ድሕሪ ምፍልላይ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለም ዝፈለቑ እዮም። ሆሞ ሳፒየንስ ኣብ ኣፍሪቃ ክፈልቁ እንከለው፡ ኒያንደርታል ድማ ኣብ ኤውሮጳን እስያን ይነብሩ ነይሮም። ናይ ቀረባ እዋን ርኽበታት ከም ዘመልክትዎ፡ ሆሞ ሳፒየንስ ቅድሚ 50 ሽሕ ወይ 60 ሽሕ ዓመታት ኣብ ኤውሮጳ ነይሮም። እዚ ማለት ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝሓሰብናዮ ኣዝዩ ዝነውሐ ግዜ ምስ ኒያንደርታል ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ኤውሮጳ ዝነበሩ’ዮም ክትብል ዶክተር ክሬት ገሊጻ። ሕነተ-ሰረት ኒያንደርታል፡ ኣብ ሕረተ-ሰረት ሆሞ ሳፒየንስ እኳ እንተተረኸቡ፡ ብኣንጻሩ ሕነተ-ሰረት ሆሞ ሳፒየንስ ኣብ ሕነተ-ሰረት ኒያንደርታል ኣይተረኸበን። ኣብዚ \"ናይ ጂን ምልውዋጥ ዘሎ ይመስል፤ ግን ብሓደ ሸነኽ ጥራይ’ዩ\" ትብል ዶክተር ክሬት። ክልቲኦም ዓሌታት ከም ዝተዳቐሉ ይፍለጥ’ዩ፤ ብፍላይ ኣስታት 2 ሚኢታዊት ሕነተ-ሰረት ካብ ኣፍሪቃ ወጻእ ዝተወለዱ ሰባት ካብ ኒያንደርታል ዝመጽአ እዩ። ዶክተር ክሬትን ዶክተር ስትሪንገርን ግን ብዛዕባ እቶም ክሳብ ሕጂ ዝተረኽቡ 32 ሕነተ-ሰረት ኒያንደርታልስን መስርዖምን ብምምርማር፡ ነቲ ጉዳይ ብዕምቆት ርኢዮምዎ። ክልቲኦም ተመራመርቲ፡ ምድቓል ዕዉት ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣብቲ ዝራባሕ ዝነበረ ጽምዲ ከም ዝምርኮስ ይሕብሩ። \"ግን ነዚ ብኸመይ ከም እንገልጾ ኣይንፈልጥን ኢና። ብሰንኪ እቲ ዘለና ዳታ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ ወይ ድማ ምድቓል (መስርሕ ምትሕውዋስ ክልተ ዘርኢ) ዝሰርሓሉ ዘሎ ኣገባብ ክኸውን ይኽእል'ዩ\" ትብል ዶክተር ክሬት። \"ንገለ ዓይነታት ኣዕዋፍን መጥበውትን፡ ምድቓል ሓሓሊፉ ብኽልቲኡ መንገዲ ኣይሰርሕን'ዩ፤ ሓደ ዓይነት ኣዕዋፍ ፍርያም ዘርኢ ንምፍራይ ከጸግሞም ይኽእል'ዩ።\" ዶክተር ክሬት፡ ኣብ መጻኢ ተወሳኺ ቅሪተ-ኣካላት ኒያንደርታል ክትረክብን ኣብኡ ዝምርኰስ ትንታነ ክትህብን ተስፋ ትገብር። ካልእ ዶክተር ክሬትን ዶክተር ስትሪንገርን ኣብ መጽናዕቶም ዘቕረብዎ ክልሰ-ሓሳብ፡ ኩሉ ኣብ ሞንጐ ሆሞ ሳፒየንስን ኒያንደርታልስን ዝተፈጸመ ጾታዊ ርክባት ብስምምዕ ዝተፈጸመ ክኸውን ኣይክእልን ዝብል እዩ። \"ምናልባት ሆሞ ሳፒየንስ ደቂ ኣንስትዮ ንምርካብ ይወጽኡ ነይሮም ወይ ብኣንጻሩ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ናይቲ ካልእ ጉጅለ ፈረይቲ ዝዀና ንምርካብ ክኣ ሓይሊ ተጠቒሞም ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም” ትብል ዶክተር ክሬት። ከምዚ ዓይነት ባህሪ ኣብ ገለ ቺምፓንዚታት እውን ክርአ ከም ዝኽእል ትገልጽ። \"ተባዕትዮ ኣብ ጉጅለኦም እኹል ንመፍረ ዝኾና ኣንስትዮ እንተዘይሃልየን፡ ዘርኦም ንምቕጻል ናብቲ ካልእ ጉጅለ ከይዶም ክሰርቁ ይኽእሉ እዮም” ኢላ። ብዛዕባ ከምዚ ዝኣመሰለ ርክባት ግን ብሓቂ ብዙሕ ዝፍለጥ ነገር የለን። ኒያንደርታልን ሆሞ ሳፒየንስን ኣዝዮም ዝተፈላለዩ ብምንባሮም ንሓድሕዶም ምርድዳእ ቀሊል ኣይነበረን ኢሎም ይኣምኑ። \"ምናልባት ሓደ ዓይነት ድምጺ ከውጽኡ ኣይክእሉን፣ ሓደ ዓይነት ርቱእ ዘረባ ኣይነበሮምን፡ ሓንጎሎም’ውን ዝተፈላለየ ኣቃውማ’ዩ ነይሩዎ” ክትብል ዶክተር ክሬት ተረድእ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣካላዊ መልክዖም እውን ዝተፈላለየ እዩ ነይሩ። ዶክተር ክሬት ከም እትብሎ፡ \"ኒያንደርታል ኣዝዮም ጽኑዓት፣ ድልዱልን ሃጺርን ቅልጽምን ኣእጋርን ኣብ ልዕሊ ኣዒንቶም ብፍሉይ ጐሊሑ ዝረአ ጤረር ዝነበሮን እዮም ነይሮም\"። ይኹን እምበር፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን ኒያንደርታል ክሳብ ክንደይ ዝተፈላለዩ ምንባሮም ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኮነን። \"መብዛሕትኡ ግዜ ኣዕጽምቲ፡ ተበታቲኖምን ተሰባቢኖምን ስለ ዝርከቡ፡ ክልቲኦም ንምንጽጻርን ኣብ ሞንግኦም ዘሎ ፍልልይ ንምግማትን ዝክኣል ኣይኰነን። ነዚ ዝምልከት፡ ብዙሕ ዘይፍለጥ ነገራት እኳ እንተሃለወ፡ ኣብ መጻኢ ክህሉ ዝኽእል ርኽበታት ዝምልከት ተስፋታት ኣሎ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cedv0vw2e8jo"} {"headline":"ቴክኖሎጂ፡ ‘ፋክስ ደሓን ኵኒ’ ትበሃለሉ ግዜ ኣኺሉ ዶ ይኸውን?","content":"ሰብ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ሓደ ቦታ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ክልእኽ ምስ ዝደሊ፡ ፋክስ እቲ ኣዝዩ መሀነን ምርጫ ዝነበረሉ ግዜ ነይሩ’ዩ። ሕጂ ግን እታ ማሽን ንታሪኽ ጥራይ ትቕመጠሉ ግዜ ዝኣኸለ ይመስል ኣሎ። እዛ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ‘ፋስማየል ማሽን’ እናተበሃለት ትጽዋዕ ማሽን፡ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ዓዲ እንግሊዝ ሓንቲ ካብ ኣገደስቲ መሳለጥያታት’ያ ነይራ። ሕጂ ግን እቲ ኦፍኮም ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤት ጽሕፈት መራኸቢታት እታ ዓዲ፡ እታ ማሽን ትህቦ ኣገልግሎት ብኻልእ ዝሰለጠ ስለዝተተክአ፡ ኣገልግሎታ ከምዘብቅዐ ዝሕብር ሕጊ ኣውጺኡ ኣሎ። ብመሰረት እዚ ሓድሽ ወጺኡ ዘሎ ሕጊ፡ እቶም ኣገልግሎት ፋክስ ዝህቡ ትካላት፡ ፋክስ ክጥቀሙ ኣይክኽእሉን እዮም። ኦፍኮም ነቲ ሓድሽ ሕጊ ኣመልኪቱ፡ “ኣብቲ ዝነበረ ሕጊ ኢና ለውጢ ከምዝህሉ ንገብር ዘለና” ኢሉ። ኦፍኮም፡ ኣብ 2003 ኵሉ ሰብ ምስ ኢንተርነትን ናይ ጽሑፍ መልእኽትታትን ዝሰደሉ ኢመይልን ካልእ ኣገባብን ስለዘይተላመደ፡ ፋክስ ንብዙሓት ኣዝዩ ተመራጺ ምንባሩ ብምምላይ’ዩ ነቲ ሽዕኡ ዝደንገጐ ሕጊ ንዝሓለፈ 19 ዓመታት ክምርሓሉ ጸኒሑ። ሕጂ ግን ዳርጋ ኵሉ ኣገልግሎት ኢንተርነት ስለዘለዎን ኢመይል ስለዝጥቀምን ኣገዳስነት ፋክስ ትሑት ምዃኑ ብምድምዳም’ዮም ኦፍኮም ኣገልግሎት ፋክስ ደው ክብል ዘገድድ ሕጊ ኣተኣታትዩ። ኦፍኮም ኣብ መግለጺኡ ንዝሓለፈ ዓመታት እዅል መጽናዕትታት ብምክያድ ናብ መደምደምታ ከምዝበጽሐ ብምግላጽ፡ “ካልእ ኣማራጺታት ስለዘሎ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣገልግሎት ፋክስ’ውን ከምድላይካን ኣብ ድላይካን ዘይርከበሉ እዋን ኢና በጺሓና ዘለና” ይብል። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ፋክስ ሚልዮናት መልእኽትታት ተቐቢላን ኣብጺሓን’ያ፤ ገለ ካብቶም ብፋክስ ዝተመሓላለፉ መልእኽትታት ከኣ ኣብ ታሪኽ እዛ ዓለም እምኒ ኵርናዕ እዮም። እቲ ኣገባብ፡ ፋክስ ነቲ ከተብጽሖ ዝተወሃባ ናይ ሓደራ መልእኽእትን ስእልን ቅድሑ ከምዘለዎ ናብቲ ዝምልከቶ፡ ሰብ ብመስመር ተሌፎን ተብጽሓሉ። ሰባት ከኣ ክንዮ ንቤተሰባዊ መልእኽታት፡ ግዙፍ ማል ዝፈሰሶ ውዕላት፡ መሸጣ ውዕላት ገዛን ካልእ ስምምዓት ንግዲን ካብን ናብን ኣብ ምትሕልላፍ፡ ፋክስ ዓለም ዘይትርስዖ ውዕለት’ዩ ነይርዋ። ወከልቲ ዓበይቲ ተጻወትቲ ዓለም፡ ተጻወትቲ ካብን ናብን ጋንታታት ኣብ ዘሰጋግርሉ፡ ፋክስ እታ ቀንዲ ዋሕስ ውዕላቶምን፡ ቀንዲ እምንቲ ኣበጻጻሒት መልእኽቶም እያ ነይራ። ሕጂ ግን ቤት ጽሕፈት ፕሪሚየርሊግ ዓዲ እንግሊዝ ከይተረፈ፡ ብፋክስ ዝመጽኦ ሰነድ ከም ሕጋዊ ሰነድ ከምዘይቅበሎ ብምሕባር፡ ከምቲ ተጻዋታይ ምስ ኣረገ ‘ጫማኡ ሰቒሉ’ ዝበሃል፡ ንፋክስ’ውን ‘የእጋራ ሰቒላ’ ብምባል ካብ መሳርዕ ናውቲ ቤት ጽሕፈቱ ኣልዩዋ’ሎ። ከም መተካእታ ፋክስ ከኣ እቲ ድሮ ቅድሚ ዓመታት ክስርሓሉ ዝጸንሐ፡ ክለባት ንውዕላት ይዅን ንምዝውዋር ተጻወትተን ‘ስካን’ ዝተገበረ ሰነዳት ብኢመይልን ካልእን’የን ክሳደዳ። ማይክል ጆርዳን ኣብ 1995 ናብ ክለብ ኩዕሶ ሰኪዐት ‘ቺካጎ ቡልስ’ ካብ ጥሮታ ተመሊሱ ዳግማይ ክጻወት ከምዝወሰነ ንምብሳር  \"I'm back\"[ተመሊሰ ኣለኹ] ኢሉ ዝለኣኻ መልእኽቲ ፋክስ እታ ኣዝያ ህብብቲ መልእኽቲ ኰይና ተመዝጊባ ኣላ። ኣብዚ እዋን ፋክስ ኣብ ውሱናት ኣብያተ ጽሕፈት ዓዲ እንግሊዝ ይርከባ’የን። ኣብዚ ቀረባ ዝተገበረ መጽናዕቲ እቲ ኤንኤችኤስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ኣገልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ፡ ሕጂ’ውን እንተዀነ ኣብ ውሽጡ ንዝግበር ምልእኣኽ ሰነዳት ኣማኢት ማሽናት ፋክስ ይጥቀም ከምዘሎ ይሕብር። ኤንኤችኤስ ኣብ 2018 ኣብ ዘውጽኦ ዘዋሪ መልእኽቲ፡ ኣብ 2020 ንዅለን ፋክስ ካብ ስራሕ ደው ከብለን ምዃኑ ብምሕባር፡ ሓደስቲ ፋክስ ከይዕደጋ ገሊጹ ነይሩ። እንተዀነ ዋላ’ኳ ሓደስቲ ፋክስ እንተዘይተዓደጋ ነተን ዝነበራ ፋክስ ግን ክሳብ ሕጂ ይጥቀመለን ኣሎ። ኦፍኮም ግን ነቲ ኣብ መጀመርታ 2023 ኵሉ ኣገልግሎታት ፋክስ ኣብ መላእ ብሪጣንያ ጠቕሊሉ ደው ንኽብል ኣበርቲዑ ከምዝሰርሕ’ዩ ዝገልጽ ዘሎ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c51gegp33xdo"} {"headline":"ንባህርያዊ ደም ክትክእ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣብ ላቦራቶሪ ዝማዕበለ ደም","content":"ኣብ ላቦራቶሪ ዝተሰርሐ ደም ኣብ ዓለም ንፈለማ እዋን ኣብ ሰባት ይፍተን ከምዘሎ ተመራመርቲ ዓባይ ብሪጣንያ ገሊጾም። ብመጠኑ ኣዝዩ ንእሽቶ ዝኾነ ደም ኣብ ውሽጢ ኣካላት ከመይ ከም ዝሰርሕ ንምፍላጥ ይፍተን ኣሎ። ዕላማ ናይዚ ፈተነ፡ እቶም ኣገደስቲ፡ ግን ከኣ ኣዝዮም ዘይዝውቱራትን ንምርካቦም ኣጸጋምቲ ዝኾኑን ጉጅለታት ደም ምፍራይ እዩ። እዚኦም ከኣ ነቶም ብሰንኪ ከም ‘ሲክል ሴል’ ብዝበሉ ዋሕዲ ደም ብቐጻሊ ኣብ ዝካየድ ምትካእ ደም ዝምርኮሱ ሰባት ኣገደስቲ እዮም። ፕሮፌሰር ኣሽሊ ቶየ ካብ ዩኒቨርሲቲ ብሪስቶል፡ ገለ ጉጅለታት (ዓይነታት) ደም  \"ኣዝዮም ዘይርከቡ\" ምዃኖም ብምሕባር፡ ክልግሱ ዝኽእሉ \"ምናልባት ኣብ ምሉእ ሃገር 10 ሰባት ጥራይ ክህልዉ ይኽእሉ እዮም\" ትብል። እዚ ፕሮጀክት መጽናዕቲ ኣብ ብሪስቶል፣ ኬምብሪጅ፣ ለንደንን ‘ኤንኤችኤስ’ ብላድ ኤንድ ትራንስፕላንት ንዝርከቡ ጉጅለታት ዘወሃህድ እዩ። ኣብቶም ካብ ሳንቡእ ናብ ካልእ ክፋል ኣካላትና ኦክስጅን ዘመሓላለፉ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ድማ የትኩር። ዝሰርሓሉ ኣገባብ፡ እቲ መስርሕ ኣስታት ሰለስተ ሰሙን ዝወስድ ኮይኑ፡ ናይ መጀመርታ ምትእኽኻብ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ጉንዲ ዋህዮታት ከኣ 50 ቢልዮን ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ከማዕብል ከምዝኽእል ተረጋጊጹ’ሎ። እዚኦም ድማ ብሕክምና ምትካእ ደም ኣቢልካ ንሰባት ክወሃቡ ናብ ዝኽእሉ ኣብ ትኽክለኛ ደረጃ ምዕባለ ዝርከቡ ኣስታት 15 ቢልዮን ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ተፃርዮም ኣለዉ። \"ኣብ መጻኢ ብዝተኻእለ መጠን ብዙሕ ደም ክነፍርይ ንደልይ ኢና። ስለዚ ኣብ ርእሰይ ዝረኣየኒ ነገር፡ በቲ ልሙድ መስርሕ ልገሳ ዝርከብ ደም እናተጠቐምካ ብቐጻሊ ብዙሕ ደም ዘፍርያ ማሽናት ዝመልአ ቦታ እዩ\" ይብል ፕሮፌሰር ቶየ። ነቲ ደም ኣብ 10 ጥዑያት ወለንተኛታት፡ ፈተነ ንምክያድ ኣብ ዝዓለመ መፅናዕቲ ዛጊድ ቀዳሞት ክልተ ሰባት ተሳቲፎም ኣለዉ። እንተወሓደ ንኣርባዕተ ወርሒ ክልተ ግዜ ካብ 5 ክሳብ 10 ሚሊ ሊትር ደም ነንበይኖም ክወሃቦም’ዩ። ሓደ ጊዜ እቲ ተፈጥሮኣዊ ደም፡ ሓደ ጊዜ ድማ ኣብ ቤተ ፈተነ ዝማዕበለ ደም ከምዝወሃቦም’ዩ ተፈሊጡ። እቲ ኣብ ቤተ-ፈተነ ዝማዕበለ ደም ካብቲ ንቡር (ተፈጥሮኣዊ) ንላዕሊ ብርቱዕ ክኸውን ትፅቢት ይግበር። ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ብተፈጥሮኣዊ መስርሕ ቅድሚ ምትካኦም ንኣስታት 120 መዓልታት እዮም ዝጸንሑ። እቲ ብልሙድ ዝልገስ ደም ሓደስትን ዝኣረጉን ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ሓዋዊሱ ዝሓዘ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ኣብ ቤተ-ፈተነ ዝማዕበለ ደም ግን ኩሉ ሓድሽ ስለዝኾነ ንምሉእ 120 መዓልታት ክጸንሕ ይኽእል’ዩ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cnl54qvkwryo"} {"headline":"ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ማዕረ ክንደይ ሃብታም’ዩ?","content":"ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ኮይኑ ዝተመረጸ ሪሺ ሱናክ ካብ ንጉስ ቻርለስ ንላዕሊ ሃብታም ከምዝኾነ’ዩ ዝንገር። ንሱ ሓፈሻዊ ሃብቱ 840 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ኮይኑ ቀንዲ ምንጪ ሃብቱ ናይ ሓምኡ ከምዝኾነ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c51gvryyrz7o"} {"headline":"ብሪጣንያን ፈረንሳን መትረብ ዘቋርጹ ስደተኛታት ንምቁጽጻር ሓድሽ ውዕል ክፈራረማ እየን","content":"ብሪጣንያን ፈረንሳን፡ ብናእሽቱ ጀላቡ መትረብ እንግሊዝ ኣቋሪጾም ዝኣተዉ ስደተኛታት ንምቁጽጻር ሓድሽ ውዕል ክፈራረማ እየን። ብመሰረት እዚ ዝተመሓየሸ ውዕል፡ ፈረንሳ ኣብ ወሰናታ ንእተካይዶ ተወሳኺ ሓለዋ ብሪጣንያ እትኸፍላ መጠን ገንዘብ ካብ 55 ሚልዮን ዩሮ ናብ 63 ዩሮ ክብ ክብል እዩ። ፈረንሳ ብወገና ቁጽሪ ናይ'ቶም ስደተኛታት ካብ ወሰና ንመትረብ እንግሊዝ ኣቋሪጾም ናብ ብሪጣንያ ከይኣትዉ ዝቆጻጸሩ ፖሊስ፡ ካብ 200 ናብ 300 ክብ ክተብል እያ። ኣብ ጉዳይ ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ጸቕጢ በዚሕዋ ዝቐነየ ጸሓፊት ሚኒስትሪ ውሽጢ ዓዲ ብሪጣንያ ስዌላ ብራቨርማን ነቲ ስምምዕ ንምፍርራም ናብ ፓሪስ ኣቕኒዓ ኣላ። ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ዝለዓለ ቁጽሪ ስደተኛታት (40,000)፡ ብመትረብ እንግሊዝ ኣቋሪጾም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣትዮም ኣለዉ። እዚ ሓድሽ ውዕል ነቶም ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ከተዓናቕፎም እምበር ጠቕሊሉ ነቲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ደው ከብሎ ከምዘይኽእል ይግመት። መንግስቲ ብሪጣንያ ነቶም መትረብ ኣቋሪጾም ዝኣትዉ ሰባት ደው ንምባል፡ ሓደ ፍሉይ መፍትሒ ከምዘየለ ዝኣምን ኮይኑ፡ ካብ ቀረባ እዋን ናብዚ ድማ፡ እቶም ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ኣብቲ ዝብገሱሉ ወሰና ወሰን ፈረንሳ ንምቁጽጻር ይፍትን ኣሎ። ኣብተን ኣብ ወሰና ወሰን ባሕሪ ዝርከባ ከተማታት ፈረንሳ፡ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ሰጊሮም ዑቕባ ክሓቱ ዝደልዩ፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ኣሻሓት ስደተኛታት ይርከቡ። ፈረንሳ ነቲ ካብ ብሪጣንያ ዝኽፈላ ገንዘብ፡ ካብ ምውሳኽ ሓለውትን ቁጽጽርን ብተወሳኺ፡ ድሮናትን ናይ ለይቲ እዋን መቆጻጸሪታትን ክተማዕብል ዝሕግዛ እዩ። ኣብ ደሴታት ፈረንሳ እውን መቆጻጸሪ ካሜራታት ዝትከሉ ኮይኖም፡ ብመካይን ኣቢሎም ናብ ብሪጣንያ ዝኣተዉ ስደተኛታት ንምፍላይ ድማ ዝቆጻጸሩ ኣኽላብ ክዋፈሩ እዮም። ኣብ ቀረባ ንስደተኛታት ወረቐት ኣብ ዝወሃበሎም ማእከላት ዓባይ ብሪጣንያ ድሕሪ ዝተርኣየ ምጭንናቕን ሕቶ ዑቕባ ንዘቕረቡ ስደተኛታት ንመንበሪ ዝኽፈል ወጻእታት ምውሳኹን ስዒቡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እታ ሃገር ጸቕጢ ተፈጢሩ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራሕ፡ እታ ሃገር መዓልታዊ ንናይ ስደተኛታት ሆቴል  7 ሚልዮን ፓውንድ ከምዘውጸአት ተገሊጹ እዩ። ካብቶም ኣብ 2021 መትረብ እንግሊዝ ኣቋሪጾም ዝኣተዉ ስደተኛታት፡ ሕቶ ዑቕባ ናይቶም 4% ጥራሕ እዩ ተሳሊጡ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብቲ ጉዳይ ስደተኛታተ ዝረኣየሉ 1,600 ሰባት ዘተኣናግድ ማንስቶን፡ 4 ሽሕ ስደተኛታት ዓሪፎም ነይሮም። ሓደ ምኽንያት እቲ ኣብዚ ዓመት ወሲኹ ዝተርኣየ ቁጽሪ መትረብ እንግሊዝ ዘቋርጹ ስደተኛታት፡  በዝሒ ስደተኛታት ኣልባንያ ብምሳኹ ከምዝኾነ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ዛጊድ ኣስታት 12 ሽሕ ኣልባንያውያን ብኣናእሽቱ ጀላቡ ናብ ብሪጣንያ ከምዝኣተዉ ተሓቢሩ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cn41yz059eqo"} {"headline":"ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሊዝ ትራስ ካብ ስልጣና ከምትወርድ ኣፍሊጣ","content":"ቀዳማይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሊዝ ትራስ መዝነታ ከተረክብ ምዃና ብወግዒ ኣፍሊጣ። እታ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ናብ ስልጣን ዝደየበት ቀዳመይቲ ሚኒስተር፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝወሰደቶም ቁጠባዊ ውሳነታት ፋይናንሳዊን ፖለቲካውን ቅልውላዋት ድሕሪ ምስዓቡ'ያ ካብ መዝነታ ክትወርድ ተገዲዳ ዘላ። ዋላ'ኳ እቲ ዝወሰደቶ ውሳነታት ድሒራ ክትስሕቦ እንተ ተገደደት፡ ኣብቲ ንሳ ትመርሖ ሰልፊ ዓቃባውያን ምምቕቓል ኣስዒቡ'ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ነቶም ተቓውሞታት ዘስዓቡ፡ ንሃብታማት ግብሪ ምጉዳል ዝርከብዎም ፖሊሲታት ዘፋለጠ ላዕለዋይ ሚኒስተር ፋይናንስ (ቻንስለር) ክዋሲ ክዋርተንግ ካብ መዝነቱ ብምውራድ ብጀረሚ ሃንት ተኪኣቶ ጸኒሓ'ያ። እንተኸነ ግን፡ ኣብ ዝሓለፋ 24 ሰዓታት ኣብ ውሽጢ እቲ ሰልፊ ዘጋጠማ ምብሕጓግ ደገፍ፡ ድሕሪ 45 መዓልታት ካብ ስልጣና ክትወርድ ቀሲቡዋ ኣሎ። ዓቃባውያን ኣባላት ፓርላማ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ንዓኣ ብምትካእ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ክመርጹ ትጽቢት ይግበር። ሊዝ ትራስ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ቦሪስ ጆንሰን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምውራዱ'ያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ብኣባላት እቲ ሰልፊ ተመሪጻ። ሎሚ ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈታ (10 ዳውኒን ስትሪት) ኣብ ዝሃበቶ ሓጺር መግለጺ ዝተዋህባ ሓላፍነት ብግቡእ ክትፍጸም ብዘይምኽኣላ መዝነታ ከተረክብ ከምዝወሰነት ብወግዒ ኣፍሊጣ። \"ብዓቃባዊ ሰልፊ ዝተመረጽኩሉ ሓላፍነት ክፍጽም ከምዘይክእል ተገንዚበ ኣለኹ\" ክትብል ገሊጻ። \"ካብ መሪሕነት ዓቃባዊ ሰልፊ ከምዝወርድ ንግርማዊ ንጉስ [ቻርለስ ሳልሳይ] ኣፍሊጠዮ ኣለኹ\" ዝበለት እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር፡ እቲ ሰልፊ ዝትክኣ መራሒ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ክመርጽ ምስ ዓቃባውያን መራሕቲ ከምዝተሰማምዐት ጠቒሳ። ዝትክኣ ክሳብ ዝምረጽ ኣብ ቦታኣ ክትጸንሕ ምዃና'ውን ሊዝ ትራስ ኣፍሊጣ'ላ። ኣብ ታሪክ ዓባይ ብሪጣንያ እታ ንዝሓጸረ እዋን ኣብ ስልጣን ዝጸንት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ክትከውን'ያ። መራሒ ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ ዕዮ ሰር ኪር ስታርመር ሓፈሻዊ ምርጫ ክግበር ጸዊዑ'ሎ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cq542vleyqro"} {"headline":"ኣንሶ ማትየንሶ፡ ኣንፈት ኤርትራ ዝቐየረ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት","content":"ብ1902 ኣብ ቦሊቭያ ተወሊዱ፡ ሕግን ፖለቲካዊ ስነፍልጠትን ተማሂሩ ። ክሳብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኣምባሳደር ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኰይኑ ንሃገሩ ዘገልገለን ኣንሰ ማቴንሶ፡ ብ14 ታሕሳስ 1950 ኮሚሽነር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኰይኑ ንጕዳይ ኤርትራ፡ ብመሰረት ውሳነ 390 A(V)፡ መዕለቢ ክገብረሉ ንኤርትራ ዝተጓዕዘ ፍሉይ ልኡኽ እዩ። እቲ  390 A(V) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ውሳነ፡ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝተመወለ ኰይኑ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፈደረሽን ንክሓብራ ብ2 ታሕሳስ 1950 ዝጸደቐ ውሳነ ነበረ። እቲ ውሳነ ድሕሪ ነዊሕ ክርክርን ምጕትን እተን ኣብ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝለዓለ ጽልዋን ተሰማዕነትን ዘለወን ኣሜሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ሕብረት ሶቭየትን እቲ ባይቶ ዝመዘዞም ኮሚሽነራት ዝሃብዎ ርእይቶን እማመን ዝተበጽሐ ኰይኑ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ትሕቲ ልኡላዊ ዘውዲ ሃጸይ ሃይለስላሰ ብፈደራላዊ ውዕልን ቅርጽን ክተኣሳሰራ ዝድንግግ እዩ። እቲ ፈደራላዊ ውዕል ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእሳ ምምሕዳራውን ፍርዳውን ቅርጺ፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ሰንደቕ ዕላማ ክህልዋ፡ ከምኡ እውን ኣብ ዘቤታዊ ጕዳያታ፡ እንተላይ ኣብ ፖሊስ፡ ምምሕዳር ከባቢ፡ ከምኡ እውን ስርዓተ ቀረጽን ግብርን ክትቈጻጸር ይፈቅድ። እቲ ዓበይቲ ሚኒስትሪታት፣ ጉዳያት ወጻኢ፡ ንግዲ፡ ምክልኻል፡ ፋይናንስን መጓዓዝያ ዝኣመሰለ ከኣ ኣብ ትሕቲ ሃጸያዊ መንግስቲ ሃይለስላሰ ንኽምሓደር ይእምም። እቲ ብሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ብ 390 A(V) ዝፍለጥ ንድሌት ኤርትራውያን ንናጽነት ዕሽሽ ዝበለ ውሳነ፡ ካብ መጀመርታኡ ተቐባልነት ኣይነበሮን። ይዅን እምበር ነቲ ህዝቢ ብመጠኑ ደሞክራሲያዊ መሰላትን መሰል ርእሰ-ምሕደራን ስለዘረጋግጽ፡ ከምቲ ኤርትራውያን ውዒሎም ሓዲሮም ብሕጋዊ መገዲ ነጻነቶም ክጠልቡን ከረጋግጹን ይኽእሉ እዮም ዝብል ተስፋ ከምዝነበረ ሰነዳት ታሪኽ ይጠቅስ። ብ1941፡ ብእንግሊዝ ዝምራሕ ሓይሊ መሻርኽቲ ሓይልታት ኪዳን፡ ንሓይልታት ኢጣልያን ኣብ ኣፍሪቃ ምስ ሰዓሮ ሃጸይ ሃይለስላሰ ናብ ስልጣኑ ተመልሰ፣ ኣብ ኤርትራ ከኣ ወተሃደራዊ ምሕደራ እንግሊዝ ተተኽለ። እንግሊዝ ንኢጣልያ ደፊኦም ናብ ኤርትራ ምስ ኣተው፡ ዕድላት ትምህርቲ ከፊቶም፡ ናጻ ጋዜጣታት ብምፍቃድ ጩራ ደሞክራሲ'ኳ እንተተቐልቀለ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብምሕደራኦም ኣይተሓጐሰን፤ መሊሱ ከፊኡዎ እምበር ኣይሓለፈሉን። እቲ ምሕደራን ቍጠባ ሃገርን ኣብ ትሕቲ እንግሊዝ ኰይኑ እቲ ዝተረፈ ስራሕ ኵሉ ገና በቶም ዝተረፉ ኢጣልያውያን'ዩ ዝካየድ ነይሩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እቲ ዝነበረ ስርዓት ክፈርስ እንግሊዝ ዝሓሸ ምሕደራ ከተኣታትዉ ኣይከኣሉን። እቶም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ዓሳክር ኢጣልያ ከኣ ተረፈቱ። ንምዃኑ፡ ኢጣልያ ንኤርትራ ብዕሊ ግዝኣታ ካብ ዝገበረትሉ እዋን ኣትሒዙ (1890) ክሳብ እንግሊዝ ዝኣቱ (1941) ማዕረ 130,000 ኤርትራውያን፡ ዓሳክር ኢጣልያ ኰይኖም ከም ዘገልገሉ መጻሕፍቲ ታሪኽ ይገልጹዎ’ዮም። እዚኦም መደበኛ ሰራዊት’ዮም፤ ምስኦም’ውን ክንድኦም ዝኣኽሉ ብ ‘ባንዳ’ ዝፍለጡ ኣባላት ዘይምዱብ ሰራዊት ነይሮም’ዮም። ስለዚ እቲ ዝዓበየ ወሃብ-ስራሕ ናይቲ ዘመን ውትህድርና ኢጣልያ ምንባሩ ተመራማሪ ታሪኽ ኣለምሰገድ ተስፋይ ይጠቅስ። እንግሊዝ ምስ ኣተወ፡ ብዙሕ ነገር ደስከለ። ኣብ ኤርትራ ፍጹም ድኽነት ኣተወ፣ ጸኒሑ ሽፍትነት ገነነ፣ ህዝቢ ኸኣ ብፖለቲካ ንሓድሕዱ ክናቘት ጀመረ። ማሕበር ፍቕሪ ሃገር’ኳ እንተ ተመስረተ፡ ብዕላማኡ መሰረት ክሰርሕ ኣይከኣለን። ንጉስ ሃይለስላሰ ኸኣ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ንክትሓብር ጽዑቕ ድፍኢት ይገብር ነበረ። እንግሊዝ ካብ ኤርትራ ዝወጽኣሉ ኣገባብ እናሰላሰለ መንግስቲ ኣሜሪካ ወተሃደራዊ ትካላቱ ኣጣጥሐ። ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ተጻረርቲ ደምበታት ተገማሚዓ ሰላም ሰኣነት። እንግሊዝ ንጕዳይ ኤርትራ ክትፈትሖ ኣይከኣለትን። ተድላ ባይሩ ማሕበር ሕብረት (ምስ ኢትዮጵያ) ምስ መስረቱ፡ ኢብራሂም ሱልጣን ከኣ ራቢጣ ኣልእስላምያ ዝብል ሰልፊ ብምምስራት ብግብሪ ተቓወምዎ። ከም ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ዝኣመሰሉ ከኣ ብጋዜጣ ኣቢሎም ንናጽነት ይቃለሱ ነበሩ። ብ1947፡ መርማሪት ኮሚሽን ኣርባዕተ ሓያላት መንግስታት፡ ናብ ኤርትራ ብምጕዓዝ ንኵነታት ኤርትራ ብቐረባ ንኽትምርምር'ኳ እንተተገብረ፡ እቶም ዝተላእኩ ኣባላት ኮሚሽን ንኵነታት ሃገር መዕለቢ ክረኽብሉ ስለ ዘይከኣሉ - ድልየት ዝበዝሑ ህዝቢ ክርስትያን ምስ ኢትዮጵያ ንምሕባር፡ ዝበዝሑ ኣስላም ከኣ ንናጽነት ኰይኑ ስለ ዝረኸብዎ - ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ጕዳይ ንክፈትሖ ተማሕጺኖም ተኣልዩ። መንግስቲ እንግሊዝ፡ ፈተነ መርማሪት ኮሚሽን ከም ዝፈሸለ ርእያ ድማ ናታ ኣጀንዳ ደፍኣትሉ - ብ 'በቪን-ስፎርዛ' ዝፍለጥ መደብ። እቲ መደብ ንኤርትራ ኣብ ክልተ ብምኽፋል ፍርቃ ንኢትዮጵያ ፍርቃ ንሱዳን ንምሃብ ነበረ። እንተዀነ ነቲ መደብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከጽድቘ ኣይከኣለን። ብሳላ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ከኣ ኤርትራ ናብ ክልተ ሃገራት ካብ ምግምማዕ ከም ዝደሓነት መጻሕፍቲ ታሪኽ ይጠቕሱ። ብድሕሪ ክንደይ ሕንፍሽፍሽን ውዲትን ውሳነ 390 A(V) ምስ ጸደቐ፡ ጕዳይ ኤርትራ ካብ ኢድ ኤርትራውያን ብኸመይ ከም ዝተመንዝዐ ኣለምሰገድ ተስፋይ ኣብቲ ‘ኣይንፈላለ’ ዘርእስቱ መጽሓፉ ኣስፊርዎ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ “ኤርትራውያን ብሽፍትነትን ዕግርግርን ሰላም ምስኣንን መንፈሶም ወዲቑ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝበየኖ ብይን፡ በቲ ዝተነግሮ መንፈስ ተቐበሎ” ክብል ኣለምሰገድ ተስፋይ እቲ ኵነታት ማዕረ ክንደይ በዳሂ ምንባሩ ኣብታ ‘ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ' ዘርእስታ መጽሓፉ ኣስፊሩዎ ኣሎ። ነቲ ውሳነ ፈደረሽን ንኸተግብር ድማ ኤድዋርዶ ኣንሶ ማቲየንሶ ናብ ኣስመራ ተላእከ። ማቴንሶ፡ ብ9 ለካቲት 1951 ኣስመራ ኣተወ። ደገፍ ናይቶም ክልተ ዓበይቲ ጕጅለታት ኤርትራ ንምርካብ - ሕብረት ምስ ኢትዮጵያን ናጽነት ኤርትራን ዝጠለቡ ጕጅለታት - ብዝዓለመ መደረኡ “ብው.ሕ.ሃ. ዝተደንገገ ሚዛናዊ ውሳነ ከተግብር መጺአ እነኹ” ክብል መልእኽቱ ኣቕረበ። ዋላ’ኳ ህዝቢ ኤርትራ ብቓልሲ ንናጽነትን ጸረ-ቓልስን ዘፍ ኢሉ እንተነበረ፡ ኢትዮጵያ ግን ክሳብ ድልየታ ዝሰምረላ ህርድግ ትብል ነበረት። ንኣብነት ኢትዮጵያዊ ኮሎኔል ነጋ ሃይለስላሴ፡ ፍሉይ ልኡኽ ጃንሆይ - ሃይለስላሰ - ናብ ኤርትራ ዝነበረ፡ ኣብ ኣስመራ ዀይኑ በቲ ዘካይዶ ዝነበረ ጐስጓስ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ፡ ጽቡቕ ስም ስለ ዘይነበሮ ብዓምደሚካኤል ደሳለኝ ተተክአ። ዓምደሚካኤል ደሳለኝ ንባህርያት ደቂ ላቲን ኣሜሪካን ጣልያንን ፈረንሳውያን ዓሚቝ ፍልጠት ኣለዎ ካብ ዝብል ዕላማ፡ ምስ ኣንሶ ማትየንሶ ድማ ብዝሓሸ ኣገባብ ክሰርሕ ይኽእል’ዩ ተባሂሉ ንኣስመራ ተላእከ። እቲ ለውጢ፡ ዕላማ ጃንሆይ ካብ ፈደረሽን ሓሊፎም ንኤርትራ ብፍጹም ሕብረት ኣብ ትሕቲ ምሉእ ግዝኣቶም ክጽንብርዋ ከም ዝሓለኑ ዘመልክት ‘ዩ ነይሩ፡ ክብል ኣለምስገድ ተስፋይ ይገልጾ። 'የኤርትራ ጉዳይ በኣጼ ሃይለስላሰ መንግስት' እትብል መጽሓፍ ዝጸሓፈ ተመራማሪ ታሪኽ ኣቶ ዘውዴ ረታ እውን ነዚ ሓቂ እዚ ኣስፊርዎ ኣሎ። ከም ኣክሊሉ ሃብተወልድ ዝኣመሰለ ምኩር ኢትዮጵያዊ ፖለቲከኛ ከኣ ብሸነኽ ዲፕሎማሲ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ነበረ። ማቴንሶ ግን ሽፍትነት ኣብ ኤርትራ ገና ስለ ዘይዘሓለ ከም ድላዩ ኣብ ኵሉ ሸነኻት ኤርትራ ንኸይንቀሳቐስ ሽግር ፈጠረሉ።  በቲ ዝተፈጥረ ሽግር (ካልኦት ተንተንቲ ምስምስ’ዮም ዝብልዎ) ማቴንሶ ኣክንዲ ልዝብን ምዝርራብን ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝጅምር ምስ ኢትዮጵያ ክላዘብ ጀመረ። ማቴንሶ ኣኼባታቱ ምስ ኢትዮጵያ ይጀምር’ምበር ምስ ኣክሊሉ ሃብተወልድ (ሽዑ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝነበረ) ብዙሕ ኣይተቓደዉን። ማቴንሶ ብመሰረት ውዕል ው.ሕ.ሃ ኤርትራ ብነብሳ እትመሓደረሉ ስርዓት ንምፍጣር፡ ኢትዮጵያ ኸኣ ነቲ ስርዓት ንኸይትግህሶ ዘድሊ ቀይድታትን ንምትእትታው ይጽዕር ስለ ዝነበረ፡ ምስ ኣክሊሉ ከምዝተጋጨው ታሪኽ ይጠቅስ። ኣክሊሉ፡ ናቱ ሓሳብ፣ ኢትዮጵያ ዓብላሊ ተራ ሒዛ፡ መራሒ መንግስቲ ኤርትራ ብንጉሰ ነገስት ክሕረ፡ ኣምሓርኛ ወግዓዊ ቋንቋ ኤርትራ ክኸውን፡ ባንዴራ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ክትስቀል ...ወዘተ ዝኣመሰሉ ሓሳባት ሒዙ ቀረበ።  ማቴንሶ ግን ተልእኾኡ ኤርትራ ብርእሳ እትመሓደረሉ ኣገባብ ንምፍጣር ምዃኑ ንኣክሊሉ ተዛረቦ። ዋላ’ኳ ማቴንሶ ምስ ኣክሊሉ ብዝገብሮ ዝነበረ ክርክርን ዘቕርቦ ዝነበረ ሓሳባትን (ተራ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኸይዕብልል) ይነጽጎ ስለዝነበረ፡ ኢትዮጵያ ንማቴንሶ ካብ ስርሑ ንኽእለ ሓያል ጐስጓስ ተካይድ ነበረት።  ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ቦሊቭያ (ሃገሩ ንማቴንሶ) ዕልዋ መንግስቲ ምስ ተኻየደ ከኣ፡ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ፍጻመ ብምምዝማዝ ኣብ ዕላውነት ስራሕ ማቴንሶ ሕቶታት ኣልዓለት። ጸሓፊ ኣለምሰገድ ተስፋይ ነቲ ኣብ መንጎ ኣክሊሉን ማቴንሶን ዝካየድ ዝነበረ ቍርቍስ፡ ኣብታ “ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ” ዝተባህለት መጽሓፉ ብዘስፈሮ ዝርዝር ኣብቲ ታሪኽ ኣገዳሲ መትንታት ውዲት ከም ዝነበሮን ገሊጹ ኣሎ። ኣክሊሉ፡ ኵሉ ጠለባቱ ኣይስመረሉ’ምበር በቲ ዝገብሮ ዝነበረ ጸቕጥን ምፍርራሕን - ማለት ማቴንሶ በቲ ኣብ ቦሊቭያ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ብወግዒ ንሃገሩ ስለ ዘይውክል ካብ ስርሑ ንኽእለ ኢትዮጵያ ክትጕስጕስ ምዃና ዘስምዕ ምፍርራሕ - ብሓንቲ ኣገዳሲት ጕዳይ ተዓወተ። እዚ ኸኣ ንጉሰ ነገስት ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ወኪል ንኽህልዎም ማቴንሶ ተሰማምዐ።  ይዅን’ምበር፡ እቲ ስምምዕ’ቲ ተቓውሞ ነበሮ። ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ንሽፍትነት ንከህድእ ይሰርሕ’ኳ እንተነበረ፡ ከምቲ ዝግባእን ዝድለን ግን ኣይተዓወተን። ምኽንያቱ፡ ማቴንሶ ኣብ ኤርትራ ምስ መጽአ ንሰለስተ ወርሒ ኣብ ኤርትራ ዑደት ንኸይገብር ዓንቂፎምዎ’ዮም። ምስ ጀነራል ዳንካን ካሚንግ፡ ናይ ሽዑ እንግሊዛዊ ኣመሓዳሪ፡ ይጋጨዉ ነይሮም’ዮም። ማትየንሶ ንካሚንግ ኣንጻር ሽፍትነት ጽኑዕ ስጕምቲ ክወስድ ደጋጊሙ ጸቕጢ ይገብረሉ ነይሩ’ዩ። በቲ ዘመን’ቲ፡ ማትየንሶ ኣብ ኤርትራ ዝኣተወሉ ዘመን፡ ማዕረ 2,000 ሸፋቱ፡ መብዝሕትኦም ክርስትያን፡ ከም ዝነበሩ መጻሕፍቲ ታሪኽ ይገልጹ። ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ሽፍትነት ነዊሕን ዝተሓላለኸን ኰይኑ እቲ ዝዓበየ ሸነኹ ግን ንሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዝሕግዝ ምንቅስቓስ’ዩ ነይሩ። ምኽንያቱ መብዛሕትኦም ግዳይ ሽፍትነት እቶም ኣብ ቀጽሪ ናጽነት ዝነበሩ ዜጋታትን ዜጋታት-ጣልያንን’ዮም ነይሮም። ምስኡ ኸኣ ዘይንብረቶም ክዘርፉን፡ ኣውቶቡሳት ክኸትሩን፡ ኣብ ቅርሕንቲን ሕነን ተሞርኲሶም ሰባት ክቐትሉን፡ ባንዴራ ኢትዮጵያ ሒዞም ሆ! ዝብሉ እውን ነይሮሞም’ዮም። ውዕል ፈደረሽን ጸዲቑ፡ ማቴንሶ ነቲ ውዕል ንኸተግብሮ ኣስመራ ምስ ኣተወ'ውን እቲ ሽፍትነት ኣይሃድአን። እቲ ብሽፍትነት ኣቢሉ ዝመሓላለፍ ዝነበረ መልእኽቲ ከኣ ምሉእ ሕብረት’ምበር ፈደረሽን ንኤርትራ ኣይጠቕማን እዩ ዝብል መልእኽቲ ንምሃብ ከምዝነበረ ኣብ ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ ተሰኒዱ’ሎ። እቲ ዝምታን ዕግርግርን ስለዝበዝሐ ግን፡ ኣብ መወዳእታ እንግሊዝ፡ ንሸፋቱ ብጥብቂ ዝከታተል ሓደ ፍሉይ ወተሃደራዊ ኣሃዱ መስሪቱ ክሃድኖም ጀመረ። ብተወሳኺ፡ ብዙሓት ካብቶም ሸፋቱ ኣብ ትግራይ መደበር ኣቚሞም ይመላለሱ ስለ ዝነበሩ፡ ምስ ኢትዮጵያ ክላዘብ ጀመረ። እቲ ሳልሳይ ስጕምቲ ኸኣ ንሸፋቱ ምሕረት ምስ ተኣወጀ እቶም ሸፋቲ በብሓደ ቀስ ኢሎም ኢዶም ክህቡ ጀመሩ። እቲ ሽፍትነት ከኣ ሃድአ። ሽዑ ማትየንሶ ኣብ ኤርትራ ክንቀሳቐስ ጀመረ። ማቴንሶ፡ ኣማኸርትን ኣብ ስርሑ ዝተሓባበርዎ ሰባትን ስለ ዝነበርዎ ነቲ ስራሕ ተታሓሓዞ። እቲ ዛንታ ንምሕጻሩ፡ ንሕገ-መንግስቲ ኤርትራ ንኸጽድቕ ሓደ ባይቶ ተመዘዘ። ብመጋቢት-ግንቦት 1952 ምርጫ ብሰላም ተኻይዱ፡ 68 ሕጹያት (34 ክርስትያን፡ 34 ኣስላም) ካብዚኣቶም 32 ናይ ማሕበር ሕብረት ተመርጹ። ማትየንሶ ኸኣ ብ 3 ግንቦት 1952 ነቲ ዝነደፎ ቅዋም ንባይቶ ኣቕረበሎም። ኣብቲ ኣኼባ ባይቶ ጠቕላል ኣመሓዳሪ ካሚንግ፡ ኮሚሽነር ማትየንሶ፡ ከምኡ’ውን ናይ ኢትዮጵያ ናይ ርክብ መኰነን ዓምደሚካኤል ደሳለኝ ተረኺቦም ነበሩ። እቶም ካብ ኵሉ ሸነኻት ፖለቲካ ዝተመርጹ ኣባላት ባይቶ፡ ሓደ ብሓደ ቃል ማሕላ ምስ ፈጸሙ፡ መጀመርታ ዝተዛረበ ኣመሓዳሪ ካሚንግ ነበረ። በዚ ዋዕላ ኣቢሉ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ይተኣታቶ ብምህላው ስርዓት ፈደረሽን ንምቛም ዓቢይ ተራ ከም ዝጽበዮም ንኣኼበኛታት ኣተሓሳሰበ። ቀጺሉ ኣንሰ ማቴንሶ ከምዚ ዝስዕብ በለ፡ “እዚ ኣቕሪበዮ ዘሎኹ ንድፊ (ቅዋም)፡ ኣብ ብይን ሕቡራት መንግስታት ተነቢሩ ዘሎ መሰረታዊ ሕጊ ዝሓዘ፡ ናይተን ዘግድሰን ወገናት ርእይቶ ዝጠመረ፡ ንድላይን ሃረርታን ህዝቢ ኤርትራ እውን ዝፈቅድ’ዩ፣ ኰይኑ ድማ ንሓድነት ኤርትራ ዝሕሉን ንፈደራስዮን ዝከላኸልን ስራሕ ንኽትሰርሑ እላበወኩም፡” በለ። ብሓጺሩ፡ ማቴንሶ ነቲ ፈለማይ ምርጫ ባይቶ ዘዋደደ፡ ንቅዋም ኤርትራ ዝነደፈን እዩ። እቲ ቅዋም ምስቶም ቀንዲ ኣርባዕተ ኣማኸርቱ፡  ምስ ገዛእቲ እንግሊዝ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ከምኡ’ውን ምስ መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ብምምኻር’ዩ ነዲፍዎ ይበሃል። ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም’ውን ከም ዝተርጐምሉ ዳን ኮነል ይረቝሖም። እቲ ካልኣይ ማቴንሶ ከም ዝዝከር ዝገብሮ ነጥቢ፡ እቲ ሕቡራት ሃገራት ዝወሰኖ ብይን ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ከም ድላዮም ክገብርዎ ዕድል ብዘይምሃቡ እዩ። ይዅን’ምበር፡ ማቴንሶ ዘተኣታተዎ ፈደረሽን ንኤርትራ ኣይጠቐመን። እንግሊዝ ንንብረት መንግስቲ ኤርትራ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣረኪቡ’ዩ ከይዱ። ኣለምሰገድ ተስፋይ ከም ዝጸሓፎ፡ “ማትየንሶ ንዕድል ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ንጉስ ሃለስላሴ ኣእትዩ ካብ ኤርትራ ለቐቐ” ይብል። “እቲ ጕዳይ ብየዋህነት ማቴንሶ ዘይኰነስ ኣብ ውሽጢ ዉ.ሕ.ሃ ንመሰላት ኤርትራ ጸማም እዝኒ ዝህብ ዝንባለ ከም ዝነበረ ምፍላጥ የድሊ” ክብል ከኣ ነቲ ሽዑ ኣብ መንጎ ኣርባዕቲአን ሓያላን ሃገራት ዝነበረ ናይ ረብሓ ቁርቁስን ሕልኽላኽልን ይገልጾ። ማቴንሶ ብ15 መስከረም 1952 ካብ ኤርትራ ምስ ወጽአ፡ ንሓለፍቱ እቲ ምስግጋር ጽቡቕ ከም ዝኸደ ጸብጻቡ ኣቕረበ። ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሰ ግን ማቴንሶ ምስ ተኣልየን እንግሊዝ ምስ ወጽኡን፡ ቀስ ብቐስ ንዅሉ ፈደራላዊ ውሳነን መሰልን ህዝቢ ኤርትራ ብምግሃስ ንኤርትራ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ኣብ ኢዶም ኣእተዉዋ። በዚ ከኣ፡ 30 ዓመታት ብረታዊ ተጋድሎ ንናጽነት፡ መወዳእታ ዘይብሉ ናይ ህይወት ሰብን ንብረትን ክሳራ ሰዓበ። እታ ኣንጻር ድሌት ህዝባ ብፈደራላዊ ውዑል ዝተቘርነት ኣብ መወዳእታኡ ከኣ ብዓመጽ ዝተላሕቀት ኤርትራ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ግንቦት 1991 ነጻነታ ተጐናጺፋ ምስ ልዑላዊ ክብረታ ናብ ማሕበረሰብ ሰብ ዓለም ተጸምበረት።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cxege5jjmlvo"} {"headline":"ሃፀይ ሃይለስላሰ ዝተገልገሉሎም ኣቑሑት ኣብ ብሪጣንያ ንምርኢት ክቐርቡ እዮም","content":"ሃፀይ ሃይለስላሰ ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ዝተገልገልሎም ኣቑሑት ንምርኢት ክቐርቡ ምዃኖም ተገሊጹ። ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ድሕሪ ወራር ጣልያን ን5 ዓመታት ባዝ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ብሪጣንያ ከም ዝጸንሑ ይፍለጥ። ኣብቲ እዋን እቲ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ናይ ጎልፍ መጻወቲን ካልእ ውልቃዊ መሳርሒታትን፡ እንተላይ በትሮም፡ ካብ 14 ጥቅምቲ 2015ዓ.ም (ግእዝ) ጀሚሩ ኣብ ቤተ መዘክር ሮማን ባዝ ኣብ ዝርከብ ክፍሊ ነገስታት ንምርኢት ክቐርቡ እዮም። ጣልያን ንኢትዮጵያ ምስ ወረራ፡ ሃጸይ ሃይለስላሴ ካብ 1936 ክሳብ 1941 (ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ) ናብ ብሪጣንያ ተሰዲዶም ኣብ ባዝ ኣብ ዝርከብ ፌርፊልድ ሃውስ ዝበሃል ቦታ ከም ዝነበሩ ይዝከር። እቲ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ፌርፊልድ ሃውስ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ወትሩ ሰንበት ንበጻሕቲ ክፉት እዩ። ኣካያዲ ስራሕ ፕሮጀክት ፌርፊልድ ሃውስ ራስ ቤንጂ፡ ገለ ካብቶም ኣብ ምርኢት ዝቐረቡ ናውቲ፡ ኢትዮጵያ ሓራ ንምውጻእ ኣብ ዝተገብረ ቃልሲ ፖለቲካዊ ተራ ከም ዝነበሮም ይገልጽ። ሃፀይ ሃይለስላሰ፡ \"ኣብ መላአe ባዝ ብእግሮም ይጓዓዙ ነይሮም\" ዝብል ራስ ቤንጂ ካብ መንበሪኦም ናብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ከተማ ይንቀሳቐሱ ከምዝነበሩ ሓቢሩ። “ብሰንኪ ምስ ጣልያን ዝነበረ ኲናት፡ ድሕሪ ስንባደ ብዝመጽእ ጸቕጢ ደም ይሳቐዩ ነይሮም”። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ብዛዕባ እቲ ኲናት ዘስካሕክሕ ዜና ዝሰምዑ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት \"ኣዝዩ ጸልማት\" ግዜ የሕልፉ ከም ዝነበሩ’ውን ይሕብር። ራስ ቤንጂ ከምዝብሎ፡ ንብረት ሃጸይ ሃይለስላሰ ኣብ ታሪኽ ጸለምቲ ብሪጣንያ ልዑል ትርጉም ኣለዎ። እቲ ምርኢት \"ሓደ ኣካል ናይቲ እቶም ንጉስ ኣብ ከተማ ባዝ ዘሕለፍዎ ሕድሪ ንህዝቢ ንምግላጽ ዝካየድ ዘሎ ናይ ዓመታት ስራሕ'ዩ\" ክብል ወሲኹ ገሊጹ። እቶም ናውቲ መገልገሊን መንበሪኦም  ዝነበረ ገዛን ሃፀይ ሃይለስላሰ ዝነበሮም ፃንሒትን ታሪኾምን ንምርዳእ ዕድል ከም ዝህብ ይንገር። ሃፀይ ሃይለስላሰ ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ስደት ናብ ሃገሮም ምስተመልሱ ብወተሃደሮም ካብ ስልጣን ክሳብ ዝእለዩ ንነዊሕ ዓመታት ንኢትዮጵያ ገዚኦም እዮም።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cqe7rjqe8rmo"} {"headline":"‘ዕላማይ ብሽግር ንዝፍተኑ ዘለው ኣብነት ምዃን እዩ’ ኤርትራዊት ሞዴል ኣይዳ መብራህቱ","content":"ኣደይ፡ ገና ቈልዓ እንከለኹ፡ “ሆስተስ ኢኺ ትዀኒ” እናበለት፡ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝነበረ ፍሉጥ ‘ዲዛይነር ዓይኒ’ ትወስደኒ ስለዝነበረት፡ ፍቕሪ እቲ ሞያ ኣብ ውሽጠይ ሰሪጹ ትብል፡ እታ ስሩዕ ቍመናን ንቝሕ ኣእምሮን እትውንን ጓል 28 ዓመት መንእሰይ ኣይዳ መብራህቱ። ንሳ ኣብ ብዙሕ ሃገራውን ኣህጉራውን መድረኻት ውድድር ጽባቐ ዝተወዳደረት ኰይና፡ ኣብ ዝመጽእ 4 ሕዳር 2022፡ ወይዘሪት ኣፍሪቃ ዓባይ ብሪጣንያ ንምምራጽ ኣብ ዝካየድ፡ ኵለን ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሳተፋኦ ዓቢይ ውድድር ‘ፋሽን-ሾው’ ንኤርትራ ወኪላ ክትወዳደር እያ። ኣይዳ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ ሳዋ ተመሃሪት እንከላ እያ ውድድር ጀሚራ። ኣብ 2017 ከኣ ኣብ ናይጀርያ ኣብ ዝተኻየደ \"Miss university Africa\" ተመሳሳሊ ውድድር ብምስታፍ፡ ሓንቲ ካብተን 10 ብሉጻት ኰይና ተመሪጻ። ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየት ኣይዳ፡ መባእታ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዓወት፡ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ ድሕሪ ምክትታል፡ ኣብ መበል 25 ዙር ንሳዋ ወሪዳ ተማሂራ። ብድሕሪኡ፡ ኣብ ኮሌጅ ጥበባትን ማሕበራዊ ስነ ፍልጠትን ዓዲቐይሕ፡ ብዓውዲ ኣፕላይድ ኢንግልሽን ሊትረቸርን ተማሂራ። ኣብ 2016 ድማ ናብ ስደት ኣምሪሓ:: ኣብዚ እዋን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብዓውዲ ሳይኮሎጂን ካውንስሊንን ትምሃር ዘላ፡ ዓቢይ ራእይ ዘለዋ ስደተኛ መንእሰይ እያ። ንሳ ማሕለኻታት ስደት በዲሃ፡ ኣብ ትምህርታን ሞያ ጽባቐን መሰላት ስደተኛታትን ዘተኮረ ንጥፈታት ግብረ ሰናይ ትነጥፍ። ብፍላይ ነቲ ኣብ ሊብያ ዝግበር መሸጣ ደቂ ሰባትን ጊልያነትን ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝዅንን “ኣብ ሊብያ ጊላነት ደው ይበል” ዝብል፡ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዘተኮረ ንጥፈታት ከም ግድስቲ ዜጋ ድምጻ ኣስሚዓ ነይራ። ሞዴሊስት ኣይዳ፡ መንእሰያት ዓቕሞም ክጥቀምሉ፡ ነቲ ዘጋጥሞም ስነ ኣእሞሮኣዊ ጸቕጢ በዲሆም ብዅሉ መዳይ ኣፍረይቲ ንክዀኑ ኣርኣያ ብምዃን ሓገዝ ክህብ’ዩ ድሌተይ ትብል። “ኣብ ፈለማ ስደትና፡ ብዘይካ እቶም ብመርዓን ምጥርናፍ ስድራን ብሕጋዊ መገዲ ዝመጽኡ ሰባት፡ ኵላትና ንግዜኡ ዋላ ይኵን ኣብ ጐደና ንሓድርን ንጽገምን ነይርና። ዳሕራይ ንዓዲ እንግሊዝ ምስ ኣተና ግን መንግስትን ትካላት ግብረ ሰናይን ብዘይ ዝዀነ ፍልልይ ዓሌት፡ ሰብ ብምዃንና ጥራይ ንዓይን ንብዙሓት ከምዚ ከማይን ብኽልተ እግርና ደው ኢልና ክንሰርሕን ክንመሃርን ደጊፎምና፡” ትብል። ኣይዳ ኣብዚ እዋን ንዅሉ ሰጊራ ትመሃርን ትሰርሕን’ኳ እንተላ፡ ብዙሓት ደገፍ ዘድልዮም ሰባት ከምዘለው ብምዝካር፡ ነቶም ኣብ ጸገም ዘለው መንእሰያት ተተባብዕ። “ብዙሓት ካባና ነቶም ግዙኣት ወልፍን ጠላዕን ኰይኖም ኣብ ግዳም ዝሓድሩ ኣሕዋትና ከም ሰነፋት ንቘጽሮም ኢና። ግን እቲ ኣብ ስደት ዘጋጥሞም ብድሆን ፈተናን እዩ ናብ ዘይተደልየ ጸገም ዘእትዎም። ገሊአን ጸገም ገዛ ዘጋጠመን ኣሕዋትና ደቀንስትዮ ምስ ኣዕሩኽተን ምስተጸገዓ ጥንሲ ዘጋጥመን ኣለዋ። ግን ስለዝሰነፋ ኣይኰናን፣ እቲ ዝግባእ ሓገዝ ስለዘይረኽባ እየን ኣብ ከምኡ ዝወድቃ። ስለዚ ኣክንዲ ንፈርድን ግምታትና ንህብን ክንሕግዝን ከነተባብዕን እዩ ዝግበእ፡” ትብል። ስለዝዀነ ኣይዳ፡ ነዞም ጸገማት ዘጋጥሞም ዘሎ ግዳም ሓደር ስደተኛታት፡ መዕቈቢ፡ መግቢ፡ ሕክምናዊ ሓገዝ፡ ትምህርቲ ንምሃብ ምስ ዝሰርሕ Whitechapel Mission ብምትሕብባር ብመልክዕ gofundme ሓገዝ  ምውህላል ትሰርሕ። ኣይዳ ነቶም ብዝተፈላለየ ጸገማት፡ ግዳም ሓደር ዝዀኑ ስደተኛታት “ፍትሒ ስለዘሎ ኣብ ውሽጥኹም ገይርኩሞ ንበይንኹም ኣይትጨነቝ፡ ዝዀነ ዓይነት ሽግር ከጓንፈኩም እንከሎ ኣክንዲ ስቕታ ኣብ ከባቢኹም ንዘሎ ምምሕዳር ኣካፍሉ፡” ብምባል ጸገማቶም ንመቕርቦም ከካፍሉን ተስፋ ከይቈርጹን ትላቦ። እዚ ትካል፡ ብወለንተኛታት ዝካየድ ኣብ 1876 ዝተመስረተ ትካል ኰይኑ፡ ንጽጉማት ማይ፡ መግቢ፡ ክዳን፡ ሕክምናዊ ሓገዝን መጽለልን ዝህብ ትካል ግብረ ሰናይ እዩ። ኣብዚ ትካል ብዙሓት ወለንታውያን ግዱሳት ይሳተፉን የበርክቱን። እተን ኣብዚ ሞያ’ዚ ክነጥፋ ዝደልያ ደቀንስትዮ ከኣ ንውሽጠን ሰሚዐን ጸገማተን ንምብዳህ ተስፋ ከይቈረጻ ክሰርሓን ክጽዕራን ትላቦ። “ከም ጓለንስተይቲ ሓያል የለን፤ እግዚኣብሄር ንጓል ኣንስትይቲ ክፈጥራ እንከሎ ሓያል ገይሩ እዩ ፈጢርዋ። ስለዚ ንውሽጥኽን ስምዖኦ፣ ንዅሉ ጸገማት ከኣ እናሰዓርክናኦ ክትከዳ ኢኽን፡“ ብምባል ነቲ ኣብ ምጅማራ ዘጋጠማ መሰናኽል ሂወት፡ ድሌታታት ብውሽጣ ብምስማዕን ብምትግባርን ከም ዘበርዓነቶ ተመኵሮኣ ተካፍል። ኣብ ስደት ኣታዊ ኣብ ዘይብልካን፡ እሞ ድማ ስደተኛ፡ ብዓቢኡ ድማ ኣብ ትምህርቲ እንከለኻ ወይ እውን ኣብ ትሕቲ ስድራኻ ከለኻ፡ ውድድር ጽባቐ ክትጅምር ቀሊል ኣይኰነን። ከም ኣልባሳት፡ መመላኽዒ ነገራትን ካልእ ኣዝዩ ብዙሕ ነገርን ስለዘድልየካ ከቢድ እዩ። ግናኸ ተስፋ ከይቈረጻ በቲ ዘለወን ተቢዐን ክጅምራኦ ትመክር - ኣይዳ። ምኽንያቱ ንሳ’ውን ኣብ ስደት እንከላ ትዕግስትን ኣዶናይን ዝበሃሉ መሓዙታ ብዛዕባቲ ውድድር ምስ ሓበርዋ፡ “ክዕወት እየ!” ዝብል ተስፋ ሒዛ እያ ናብቲ ኣብ ናይጀርያ ዝካየድ ዝነበረ ‘ወይዘሪት ዩኒቨርሲቲ ኣፍሪቃ’ ክትወዳደር ትቀራረብ ነይራ። “ሽዑ ሓድሽ ክዳን ክገዝእ ስለዘይከኣልኩ፡ ዝነበረኒ ክዳውንቲ ኣራርየ ክጠራንፍ ዝረኣያኒ ገለ መሓዙተይ ክዳውንተን ሂበናኒ። ካብ ኣእምሮይ  ዘይርስዖ ዮርዳኖስ ትበሃል ሓትነይ ዝሰደደትለይ ባህላዊ ክዳውንቲ ነይሩ። ካልእ’ውን፡ ንኤርትራ ወኪለ ክወዳደር ምዃነይ ዝሰምዑ ኣቶ ነጋሽን ኣቶ ሰለሙንን ዝበሃሉ ኤርትራውያን፡ ዘይፈልጡኒ ክንሶም፡ ነፍስወከፎም ሚእቲ ዶላር ኣበርኪቶምለይ፡” እትብል ኣይዳ፡ ዕላማኻ ንምውቃዕ፡ “ዘይከኣል የለን” ብምባል ንዅሉ ነገር ብምሉእ ነብሰ ምትእምማን ክትከዶ ከምዝግባእ ትዛረብ። ኣይዳ፡ “ዝበለጽካ ሰብ ክትከውን ዝደፍኡኻ፡ ብምኽሪን ሓሳብን ዝድግፉኻ ዓርከ ምሓዛ ምጥራይ፡ ኣብ ዕላማኻ ክትሕይል ብዙሕ እዩ ዝሕግዘካ፡” ትብል። ኣተሓሒዛ፡ “ሞዴሊን ክትወዳደር እንከለኻ ድማ መልክዕን ቅርጽን ጥራይ ሒዝካ ዘይኰነስ፡ ብጠባይ፡ ብግብሪ፡ ብሕያውነትን ብዅሉ ነገር ነቲ ወኪልካዮ እትወዳደር ዘለኻ ሕብረተሰብ ኣርኣያን ኣብነትን ክትከውን ኣለካ ኢለ’የ ዝኣምን፡ ትብል እሞ፡ “ከም ድሌተይ ድማ እዚ ውድድር እዚ ደጋዊ ጽባቐ ጥራይ ዘይኰነ እንተላይ ውሽጣዊ ብስለትን ልቦናን ዘጠቓለለ ብምንባሩ፡ ተሓጒሰ እየ ጀሚረዮ። ነቲ ዝነበረ መጻረዪ ውድድራት እናሓለፍኩ ድማ ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ በጺሐ ኣለኹ።” ትብል። ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ደረጃ ንቕሓት ድምጺ ምሃብ ሕብረተሰባ ትሑት ምንባሩ እትዛረብ ኣይዳ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ግን ብተዛማዲ ክብ ኢሉን ብዙሕ ሰብ ድምጹ ይህባ ከምዘሎ ትዛረብ። ብዙሕ ሰብ ኣድሚጹልካ ማለት ከኣ፡ ህዝብኻ ሓርዩካ ኣሎ ማለት ስለዝዀነ ኣብ ምዕዋት ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ተረድእ። “ኣብዚ ሰዓት እዚ ከም ኤርትራውያን ብብዙሕ ጸበባ ንሓልፍ ስለዘለና፡ ብዛዕባ ግዳም ሓደር ጐስጓስ ክገብር ከለኹ ቅሩብ ዘይግዚኡ ኰይኑ ይስምዓኒ። ግን ከኣ ንዓና’ውን ከም ዝውክል ክትርድኡለይን ድምጺ ክትህቡንን እላቦ። እንተ ተዓዊተ ድማ ዝዀነት ጓል ኣንስተይቲ ነቲ ኣነ ዝሓለፍክዎ ጸገማት ከይትሓልፍ ብዝተኻእለኒ መጠን ክጽዕር እየ፣ ነታ ድሕረይ እትመጽእ ኤርትራዊት ድማ ዝጠጥሐ ጐደና ከጽንሓላ እየ” ትብል። መንእሰይ ኣይዳ መብራህቱ: ኣብቲ ብ4 ሕዳር 2022 ኣብ ብሪጣንያ ከተማ ለንደን ኣብ ዝካየድ ናይ መወዳእታ ውድድር እንተ ተዓዊታ ኣምባሳደር ወይዘሪት ኣፍሪቃ ዓባይ ብሪጣንያ ብምዃን ነቲ ዝካየድ ናይ ግበረ ሰናይ መደባት ባዕላ ክትመርሖ እያ። ብተወሳኺ፡ ንመላእ ዓለም ባህላ ከተላሊ እያ። ኣብቲ  ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ናይ ምጽራይ መስርሕ፡ ዝበዝሓ ሃገራት ተገሊፈን'የን፡፡ ኣብቲ ብ3 ሕዳር ፍርቂ ለይቲ ዝዕጾ መስርሕ  ምሃብ ድምጺ፡ ካብተን ተሪፈን ዘለዋ 16 ሃገራት፡ ኤርትራዊት ተወዳዳሪት ኣይዳ መብራህቱ ብድምጺ ብልጫ ንኽትዕወት ናይ ኣስታት 15ሽሕ ድምጺ ክትረክብ ትሕልን። The Miss Africa GB pageant’ ኣብ 2011 ዝተመስረተ ኰይኑ፡ ዕላማኡ ንኣብ ብሪጣንያ ዝተወልዳ ይዅና ኣብታ ሃገር ዝነብራ ደቀንስትዮ ብመልክዐን ጥራይ ዘኰነ፡ ባህለን፡ ፈጠራውነተንን ሞያአንን ንምልላይ ዝዐለመ መድረኽ እዩ። ኣብተን ደቀንስትዮ፡ ናይ ምሃብ ባህሊ ከስርጽ ዝጽዕት፡ ኣፍሪቃዊ ባህልን ኣነባብራን ንመላእ ዓለም ንኸላልያ ባይታ ዝፈጥር፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ኩባንያታት ዝምውልዎ እዩ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cx8w9038jxdo"} {"headline":"ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ን'ምዝመዛ ጉልበት' ዝተቓልዑ ኣፍሪቃውያን ሓካይም","content":"ካብ ገለ ድኻታት ሃገራት ተመልሚሎም ኣብ ሆስፒታላት ዓዲ ኢንግሊዝ ንክሰርሑ ዝመጽኡ ሓካይም፡ ልዕሊ ዓቐን ብምስርሖም ጥዕና ተሓከምቲ ኣብ ሓደጋ ከየውድቑ ከም ዝሰግኡ ተዛሪቦም። ቢቢሲ ዘካየዶ መርመራ፡ ብኩባንያ ሓለዋ ጥዕና ብሪጣኒያ ተመልሚሎም፡ ካብ ናይጄሪያ ዝመጽኡ ዶኳትር ኣብ ትሕቲ ኣገልግሎት ሃገራዊ ጥዕና እታ ሃገር ዘይፈቕዶ ኩነታት ኣብ ሆስፒታላት ብሕቲ ይሰርሑ ከም ዘለው ኣረጋጊጹ። ማሕበር ሕክምና ብሪጣኒያ [ቢኤምኤ] ነቲ ኩነታት “ዘሰንብድ” ብምባል ክገልጾ እንከሎ፡ እቲ ዓወዲ ምስ ኣሰራርሓታት ኤንኤችኤስ ዝጠዓዓም ክኸውን ኣለዎ ኢሉ። ቢቢሲ፡ ኣብ 2021 ኣብ ሆስፒታል ኑፊልድ ጥዕና ሊድስ ዝሰርሕ ዝነበረ ናይጄሪያዊ መንእሰይ ሓኪም ሓዊሱ ንብርክት ዝበሉ ሓካይም ዜጋታት ወጻኢ ኣዘራሪቡ እዩ። ኦግስቲን ኢንክዌች፡ ናይ ስራሕ ሰዓታቱ ኣዝዩ ብዙሕ ከም ዝነበረ ይዛረብ። ሰሙን ሙሉእ ን24 ሰዓታት ኣብ ስራሕ ተጸሚዱ ከም ዘሕልፎን ካብቲ ሆስፒታል ክወጽእ ከም ዘይክእልን ገሊጹ። ኣብቲ ሆስፒታል ምስራሕ ዳርጋ “ኣብ ቤት ማእሰርቲ” ምዃን እዩ ክብል ይገልጾ። እቲ ድኻም ብዙሕ’ዩ ዝብል ኦግስቲን፡ ብሰንኩ ብኣግባቡ ዘይክሰርሕ ይኽእል እየ ዝብል ስግኣት ከም ዝነበሮ ሓቢሩ። “ደኺምካ ምስራሕ፡ ንሕሙማትን ንርእሰይን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ምዃኑ ይፈልጥ እየ፤ ግን፡ ዓቕሚ  . . . ሓጋዚ ዘይብለይ ኰይኑ ተሰሚዑኒ። ብቐጻሊ ገለ ነገር’ዶ ይጋገ ይኸውን ኢለ እየ ዝሓስብን ዝጭነቕን” ይብል። ሆስፒታል ኑፊልድ፡ ዶኳትር ስሩዕ ናይ ዕረፍቲ ሰዓታት፣ ኣብ ሞንጐ ናይ ስራሕ ሰዓት ዝወሃብ ዕረፍቲ ከምኡ’ውን ኣድላዪ እንተዀይኑ ምቅይያር ክህሉ ዘፍቅድ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እዞም ናይ ስራሕ ሰዓታት ጌጋ’ዮም ይብል። እቲ ኩባኒያ ብተወሳኺ፡ “ጥዕና ሕሙማትን ሰራሕተኛታትን እቲ ሆስፒታል” ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ’ዩ ኢሉ። ኦግስቲን፡ ካብ ኩባኒያ ብሕቲ - ኤንኢኤስ እዩ ናብ ሆስፒታል ኑፊልድ ሊድስ ተቘጺሩ። እዚ ኩባኒያ፡ ዶኳትር ካብ ሃገራት ወጻእ ብምቑጻር ዝፍለጥ ኰይኑ፡ መብዛሕትኦም ካብ ናይጄሪያ ዝመጽኡ’ዮም። ኦግስቲን፡ እቲ ብኤንኢኤስ ዝቐረበሉ ናይ ስራሕ ውዕሊ ብኣግባቡ’ኳ እንተዘይርኣዮ” እቲ ስራሕ ክረክብ እንከሎ ኣዝዩ ሕጉስ ከም ዝነበረ ይገልጽ። እንተዀነ፡ እቲ ውዕሊ ስራሕ፡ ሰራሕተኛታት ዓዲ ኢንግሊዝ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ናይ ስራሕ ሰዓት ንከይሰርሑ ካብ ዝቈጻጸር ሕጊ ወጻእ ክኸውን ገይሩዎ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ብዙሕ ግዜ ደሞዝ ተቐጺዑ። ንሱ ጥራይ ኣይኰነን። ቢኤምኤን ማሕበር ሓካይምን፡ ን188 ሓካይም ብምዝርራብ ዝኣከቡዎ መረዳእታ ንቢቢሲ ሂቦም’ዮም። መብዛሕትኦም ዶኳትር፡ ብኤንኢኤስ ዝተቘጸሩ ኰይኖም፡ ገሊኦም ድማ ብኻልኦት ኩባኒያታት ተቘጺሮም። እዚ መጽናዕቲ፡ 92 ሚኢታዊት ካብ ኣፍሪካ ከም ዝተመልመሉን መብዛሕትኦም 81 ሚኢታዊት ካብ ናይጄሪያ ከም ዝዀኑን የመልክት። መብዛሕትኦም ክኣ፡ ልዕሊ ዓቐን ናይ ስራሕ ሰዓትን ፍትሓዊ ዘይኰነ ምንካይ መሃያን ከም ዘጋጠሞም ይገልጹ። ንዓመታት፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ከቢድ ሕጽረት ሰብ ሞያ ጥዕና ካብ ዘለወን ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ነርሳትን ዶኳትርን “ምምልማል” ጠጠው ክብል ከጠንቅቕ ጸኒሑ ኣሎ። እቲ ትካል፡ መብዛሕትአን ካብ ኣፍሪቃ ዝዀና 47 ሃገራት ዘርዚሩ እዩ። መንግስቲ ብሪጣኒያ፡ እዚ ዝርዝር “ቀይሕ ዝርዝር” ብምባል ኣብ ውሽጢ ኣሰራርሕኡ ክሰፍር ገይሩ። በዚ መሰረት፡ ናይጄሪያ ኣብተን ንብሪጣኒያ ሰብ ሞያ ጥዕና ከይትምልምል ዝተነጸራ ይገብራ። ስለዚ፡ ከመይ ኢሎም’ዮም ድኣ እዞም ሓካይም ኣብ ብሪጣኒያ ክሰርሑ ዝመጽኡ? ቢቢሲ፡ ናብ ናይጄሪያ ተጓዒዙ፤ ካልኦት ዘሰክፉ ሸነኻት እዚ ዛንታ ክኣ ርእዩ። ኣብ ከተማ ሌጎስ፡ ሓደ ፈተና ዝወሃበሉ ኣዳራሽ እዚ ‘ፈተና ሞያን ቋንቋን’ ወይ ‘PLAB 1’ ዝብሃል ፈተና ክወስዱ ሪጋ ዝሓዙ ኣማኢት ዶኳትር ረኺብና። እዚ፡ ሰራሕተኛ ካውንስል ብሪጣኒያ ብቤት ጽሕፈት ጉዳይ ወጻኢ ዝምወል እውን ክርእዮ ገይርና ኢና። እዚ ወረቐት፡ ኣብ ለንደን ብዝርከብ ጠቕላላ ሜዲካል ካውንስል ዝተዳለወ ኰይኑ፡ ሰብ መዚ ጥዕና ብሪጣኒያ ኣብታ ሃገር ዘስርሕ ፍቓድ ንክህቡኻ መረጋገጺ ዝኸውን ናይ መጀመርታ ክሕለፍ ዝግብኦ መገዲ እዩ። እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ዶኳትር፡ እቲ ዝለዓለ ደሞዝን ዝሓሸ ናይ ስራሕ ኩነታትን ከም ዝገዝኦም ይዛረቡ። እዚ ፈተና ኣብ ካልኦት ዶኳትር ክምልመሉለን ዘይግብኣ ዝተባህላ ከም ሱዳን፣ ጋና፣ ባኪስታንን ባንግላድሽን ዝበላ ሃገራት እውን ተዋሂቡ። ጂኤምሲን ካውንስል ብሪጣኒያን ኣብ ጉዳይ “ምልመላ” ኢድ የብልናን ብምባል፡ ብውልቈም ናብ ብሪጣኒያ ክመጽኡ ንዝደልዩ ዶኳትር ጥራይ ይሕግዙ ከም ዘለው ገሊጾም። እዚ ክኣ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ መምርሒ ፍቑድ እዩ። ኦግስቲን፡ ካልኣይ ፈተና ክወስድ እናተዳለወ እንከሎ’ዩ ኤንኢኤስ ደዊሎም ቪዛኡ ክምውሉዎን ስራሕ ክረኽብሉ ከም ዝኽእሉን ነጊሮምዎ። እዚ “ንጡፍ ምልመላ” እኳ እንተዀነ፡ ኤንኢኤስ ግን ናይ ምልመላ ኤጀንሲ ስለ ዘይነበርኩ ኣይኰነን ይብል። እኳ ድኣ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ኣብ ብሪጣኒያ ክሰርሑ ምስ ዝደልዩ ዶኳትር ጥራይ ከም ዝራኸብ ገሊጹ። ቤት ጽሕፈት ጥዕናን ማሕበራዊ ሓለዋን ግን፡ መምርሒ ኣሰራርሓ ብሪጣኒያ ንኤንኢኤስ’ውን ዝምልከት ምዃኑ ብምጥቃስ እቲ ኩባኒያ ጥሕሰት ከም ዝፈጸመ ሓቢሩ። ብዙሓት እዚ ኩባኒያ ዘምጽኦም ዶኳትር ኣዘራሪብና። ኩሎም ሓደ ዓይነት ታሪኽ ኣለዎም። ዶክተር ፌሚ ጆንሰን፡ ኣብ መዓልቲ ካብ 14 -16 ሰዓታት ክሰርሕ ከም ዝግደድን ናይ ለይቲ እውን ከም ዝሰርሕን ተዛሪቡ። “ኣመና ደኺመ፤ ድቃስ ደልየነ። ሰብ ኰይንካ፡ ንሸውዓተ መዓልታት ብተኸታታሊ ብኸምዚ ክትሰርሕ ዝክኣል ኣይኰነን”። ዶክተር ፌሚ፡ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ደኺሙ ስለ ዝነበረ ዕረፍቲ ደልዩ፤ ኢንኢኤስ ግን ካብ ደሞዙ ክንክየሉ እዩ። እዚ፡ ንዕኡ ንዝትክእ ዶክተር ዝወጽእ ወጻኢ ንምሽፋን ዝውዕል’ዩ ክብል እቲ ኩባኒያ ይገልጽ፤ ፌሚ ግን ዶኳትር ኣብ ከቢድ መዋጥር ዘእቱ’ዩ ይብል። “ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት፡ ምስ ነብሰይ’የ ዝመክር፤ ‘ፌሚ፡ ንነብስኻ ትኽክለኛ ነገር ዲኻ ትገብር ዘለኻ፤ ንተሓካሚኻ ትኽክለኛ ነገር ዲኻ ትገብር ዘለኻ?’ ይብለኒ። እንተዀነ፡ መልሲ ረኺበሉ ኣይፈልጥን”። ገሊኦም ሓካይም፡ ካብ ማሕበር ዶኳትር ሓገዝ ሓቲቶም። ዶክተር ጄኒ ቫግሃን ብርክት ዝበለ ጥርዓን ሓካይም ከም ዝሰምዐት ገሊጻ። ዶኳትር ኤንኤችኤስ፡ ኣብ ሰሙን ን48 ሰዓታት ክሰርሑ ከም ዘለዎም፤ እንተደልዮም ድማ ን72 ሰዓታት ከም ዝሰርሑ ከም ዝኽእሉ ሓቢራ። “ኣብዚ፡ ዋላ ሓደ ዶክተር ብተኸታታሊ ካብ ኣርባዕተ ለይቲ ንላዕሊ ክሰርሕ የብሉን፤ ምኽንያቱ ውሑስ ኣይኰነን” ትብል። ወሲኻ፡ “እዚ ምስ ልዕሊ ዓቐን ናይ ስራሕ ሰዓታት ዝተሓሓዝ፡ ዳርጋ ቅድሚ 30 ዓመት ዝጠፍአ’ዩ ዝበልናዮ ባርነት ዝተሓሓዝ’ዩ። እዚ ንተሓከምቲ ኰነ ዶኳትር ቕቡልነት የብሉን” ትብል። እዚ ጉዳይ፡ ናብ ማሕበር ሕክምና ብሪጣኒያ [ቢኤኤም] ወሲድናዮ፡ ምኽትል ኣደ መንበር ኤማ ራንስዊክ እቲ ኩነታት “ንጥዕና ብሪጣኒያ ውርደት“ እዩ ክትብል ገሊጻቶ። “እቶም ወጻእተኛታት መሳርሕትና ነዊሕ ተጓዒዞም’ዮም ናብ ብሪጣኒያ መጺኦም፤ እቲ ኩነታት ግን በዝባዚ’ዩ ኰይኑዎም” ኢላ። ኤንኢኤስ፡ “ዶኳትር ምስቲ ኩባኒያ ዘለዎም ልምዲ” ብዝተሓሓዝ “እወንታዊ ርኢይቶ’ዩ” ዘለዎም ይብል። ዶኳትር፡ “ኣብ ውሽጢ ብሄራዊ ኣገልግሎት ጥዕናን ስርዓት ሓለዋ ጥዕናን ብሪጣኒያ ሞይኦም ንምዕባይ ውሑሱን ሓጋዝን መገዲ” ብምምችቻእ ከም ዝሕግዞም ብምግላጽ፡ እቲ ስርሖም ድማ “ንህዝቢ ብሪጣኒያ ዓብዪ ረብሓ’ዩ” ኢሉ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c515dkp1jepo"} {"headline":"ህንዳዊ መቦቆል ዘለዎ ሪሺ ሱናክ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ክኸውን እዩ","content":"ሪሺ ሱናክ፡ ቀዳማይ ኤስያዊ-ብሪጣንያዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ንምዃን ኣብ ድርኩኺት ከም ዝበጽሐ ይግለጽ ኣሎ። ንሱ ነዚ ዝበቕዐ እታ ቀንዲ መወዳድርቱ ኰይና ዝጸንሐት መነሓንሕቱ ካብቲ ውድድር ድሕሪ ምእላያ እዩ። እቲ ሰኑይ ዘኽትም ምሃብ ድምጺ ደገፍ ቅድሚ ምእካሉ፡ ድሮ ኣስታት 200 ኣባላት ባይቶ ዓቓባዊ ሰልፊ፡ ነቲ ቻንስለር ዝነበረ ሱናክ ድምጾም ከምዝሃብዎ ተፈሊጡ’ሎ። እታ ኣብቲ ውድድር ኣትያ ዝጸንሐት መራሒት ታሕተዋይ ባይቶ ዝዀነት ፐኒ ሞርደንት፡ እዅል ድምጺ ብዘይምርካባ ካብቲ ውድድር ተኣልያ እያ። በዚ መሰረት፡ ሪሺ ሱናክ፡ ነታ ኣብ 45 መዓልታ ስልጣና ዝለቐቐት ሊዝ ትረስ ተኪኡ፡ ኣብ ዝሓለፈ 200 ዓመታት፡ ኣብ መበል 42 ዓመቱ ብዕድመ እቲ ዝነኣሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ክኸውን እዩ። እቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ደገፍ ኣባላት ባይቶ ዓቃባዊ ሰልፊ ንምርካብ ዝተኻየደ ውድድር፡ ውጽኢቱ ብወግዒ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ ዝስዕብ ሒደት መዓልታት ብወግዒ ስልጣኑ ክሕዝ እዩ። ሪሺ ሱናክ፡ ውጽኢት’ቲ ካብ ኣባላት ባይቶ ዝረኸቦ ድምጺ ሎሚ ሰኑይ ድሕሪ ቐትሪ ብወግዒ ምስተገልጸ፡ መደረ ከስምዕ ትጽቢት ይግበር።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cg3ld581w9zo"} {"headline":"ብኸመይ እዮም 175 ብሪጣንያውያን ቈልዑ ብኤችኣይቪ ተለኺፎም?","content":"ብ1980ታት፡ ሄሞፊልያ ዝበሃል ሕዱር ሕማም ደም ዝነበሮም ልዕሊ 150 ቈልዑ ብኤችኣይቪ ከም ዝተለኽፉ፡ ቢቢሲ ካብ ቤተ መዛግብቲ መንግስቲ ዝረኸቦ ሰነድ የርኢ። ገለ ካብቶም በዚ ሕማም ዝተጠቕዑ ስድራቤታት፡ ኣብ ታሪኽ ሕክምና ዓባይ ብሪጣንያ (ኤን.ኤች.ኤስ.) እቲ ዝኸፍአ ናይ ሕክምና ሓደጋ ተባሂሉ ኣብ ዝግለጽ ዘሎ ህዝባዊ መርመራ መርትዖታቶም ይህቡ ኣለው። እቲ ጉዳይ ቅድሚ 36 ዓመት ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ 1986 እኳ እንተጋጠመ፡ ሊንዳ ግን እታ ውላዳ ብሕማም ከም ዝተጠቕዐ ዝሰምዐትላ መዓልቲ ፈጺማ ኣይትርስዓን እያ ። ኣብቲ እዋን ምስ ወዲ 16 ዓመት ወዳ ማይክል፡ ኣብ ከተማ በርሚንግሃም ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ናይ ህጻናት ሆስፒታል ናይ ምምኻር ክፍሊ ተጸውዐት። ውላዳ፡ ገና ኣብ እግሪ ተኽሉ ሄሞፊልያ ብዝብሃል ብተወርሶ ብዝመሓላለፍ ንምርጋእ ደም ዘሰናኽል ሕማም  ተጠቕዐ። ሊንዳ፡ እቲ ዝተጸውዐቶ ኣኼባ፡ ክንክን ጥዕና ውላዳ፡ ኣብታ ከተማ ናብ ዝርከብ ቀንዲ ሆስፒታል ንግስቲ ኤልሳቤጥ ክሰጋገር ይኽእል ይኸውን ዝብል ግምት እዩ ነይሩዋ። \"እቲ ናይ ሕክምና ክንክን ኣዝዩ ልሙድ ስለ ዝነበረ፡ በዓል ቤተይን [ሰብኣይ ኣደ ማይክል]ን ኣብ ግዳም ኣብ መኪና ይጽበዩና ነይሮም\" ትብል። \"ድሕሪኡ፡ እቲ ሓኪም፡ ከምዚ ብተራ ዕለታዊ ኩነታት ኣየር ዝዛረብ ዘሎ፡ ብሃንደበት፡ “ሚካኤል ኤችኣይቪ ፖዚቲቭ እዩ” ምስ በለና ከብደይ ግምጥልጥል በለኒ። “ካብቲ ሆስፒታል ወጺአ፡ ኣብ መኪና ንዝጸንሓና በዓል ቤተይ ነገርክዎ። ክልቴና ስለ ዝሰምበድና ከኣ ንገዛና ክሳብ እንኣቱ ፈጺምና ኣይተዘራረብናን። ከቢድ ነውጺ እዩ ፈጢሩልና \"ትብል። ኤችኣይቪ ቀስ ብቐስ  ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ሰብነትካ ኣማህሚኑ ንሕማማት ብምቅላዕ ዝቐትል ሕማም እዩ። ኣብቲ እዋን ከኣ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብቴሌቪዥን “ ብድንቁርና ነብስና ኣይንቕተል” ዝብል ሰፊሕ ናይ ሚድያ ጎስጓስ ይገብር ነይሩ። እቲ ጽዑቕ ወፈራ ጎስጓስ ኣብ ነብሲ ወከፍ ቤት ይረአ ስለ ዝነበረ ብሰንኪ እቲ ሕማም ርኡይ ተነጽሎ የጋጥም ነይሩ። ኣብ 1985 ሓደ ብሕማም ሂሞፎሊክ ዝተጠቕዐ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ተማሃራይ፡ ብኤችኣይቪ ከም ዝተጠቕዐ ምስ ተፈልጠ ብዙሓት ወለዲ ንደቆም ካብቲ ኣብ ሃምፕሻየር ዝርከብ ናይ መባእታ ቤት ትምህርቲ ኣለዩዎም። ሚካኤል፡ ነቲ ሕማም ኣብ ውሽጡ ክሕዞ እምበር ፈተውቱን ይኹኑ ቤተሰቡ ክንገሩን ክፈልጡን ከም ዘይደለየ ሊንዳ ትሕብር። ነቲ ሕማም ከም ንቡር ገይሩ ክወስዶ ስለ ዝደለየ ንኣዕሩኹቱ እውን ኣይነገሮምን። ካብ 1970 ክሳዕ 1991 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ፡ “ፋክተር ኤይት” ዝበሃል ሓዲሽ መድሃኒት ምስ ወሰዱ፡ 1,250 ናይ ደም ጸገም ዘለዎም ሰባት ብኤችኣይቪ ከም ዝተለኽፉ ተፈልጠ። እዚ ሓድሽ መድሃኒት ነቲ ደሞም ንኸይረግእ ዝገትእ ሕማም ንምክልኻል ዝተዋህቦም እዩ ነይሩ። ሽዑኡ ኣስታት 175 ብሕማም ሄሞፊልያ እተጠቕዑ ቈልዑ ነቲ መድሃኒት ኣብ ሆስፒታላት፡ ኣብያተ-ትምህርትን ክሊኒካት ብሓካይም ብሪጣንያ ተዋሂቡዎም። ካልኦት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ቖልዑ ድማ ብዝተዋህቦም መድሃኒት፡ ንሕማም ወይቦ ከም እተቓልዑ ይእመን። ሕማም ወይቦ ንጸላም ከብድን መንሽሮን ከቃልዕ ዝኽእል ሕማም እዩ። እቲ ሕማም ከኣ ንተመሳሳሊ ዓይነት ናይ ደም ጸገማት ክፍውስ ብዝተዋህበ መድሃኒት እዩ ተኸሲቱ። ኣስታት ፍርቂ ካብቶም ብኤችኣይቪ እተታሕዙ ሰባት፡ ቅድሚ እቲ መናውሒ መድሃኒት ዕድመ ሕሙማት ኤችኣይቪ ቅድሚ ምርካቡ ምስ ሕማም ኤይድስ ብዝተሓሓዝ ሕማም ሞይቶም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ንሕማምት ደም ዝምልከት መድሃኒት ተፍሪ ስለ ዘይነበረት  እቲ “ፋክተርኤይት” ዝበሃል መድሃኒት ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እያ ትገዝኦ ነይራ። እቲ መድሃኒት ከኣ ካብ ኣሽሓት ወለንተኛታት ወሃብቲ ደም ብዝተኣከበ ፕላዝማ እዩ ዝስራሕ። ካብቶም ኣሽሓት ሓደ ብኤችኣይቪ እንተተለኺፉ ከኣ ኩሉ እቲ ደም ይብከልን እቲ ሕማም ይመሓላለፍን። ኣብ ኣመሪካ ዝርከባ ኩባንያታት ፋርማሲ፡ ነቶም ደም ዝልግሱ ውልቀ-ሰባት፡ እንተላይ ንገለ ካብቶም ኣብ ልዑል ሓደጋ ዝርከቡ፡ ከም እሱራትን ተጠቀምቲ ሓሽሽን ዝኣመሰሉ ደም ዝልግሱ ሰባት ገንዘብ ይኸፍለኦም ነይረን። ሊንዳ፡ ኣብቲ ብ1984 ኣብ ሆስፒታል ቈልዑ በርሚንግሃም እተገብረ ናይ ምምኽኻር ኣኼባ፡ ንፈለማ ግዜ ብዛዕባ’ቲ ሕማም ፍሉይ ምልክታት ንኽትዕዘብ ከምእተነግራ ትዝክር። ይኹን'ምበር፡ ሓደ እዋን ሓንቲ ኣላዪት ሕሙማት፡ \"ሚካኤል ጽቡቕ እዩ ዘሎ\" ብምባል ንኸይትጭነቕ ስለ ዝነገረታ፡ እታ ስድራ ቤት ነቲ ሓደጋታት ምሉእ ብምሉእ ከም ዘይተረድኣቶ እያ ትዛረብ። ኣብቲ እዋን’ቲ ከኣ ወዳ ገና ነቲ ሕማም ዘመሓላለፈሉ “ፋክተር ኤይት” ዝተባህለ ናይ ኣመሪካ መድሃኒት ይወስድ ነይሩ። ሚካኤል ኣብ መወዳእታ ዕድመ ብጽሕንኡ ብብርቱዕ ረስኒን ረሃጽን ለይትን፡ ተደጋጋሚ ሕማም ሰዓልን ዝኣመሰለ ቀጨውጨው ዘብል ሕማማት ክጥቃዕ ጀመረ ። ይኹን'ምበር፡ ክሳብ ሕልፈተ ህይወቱ፡ ምጋሽ፡ ሙዚቃ ምስማዕን ነቲ ኣብ ዌስት ብሮምዊች ኣልቢዮን ዝነበረ ክለብ ኩዕሶ እግሪ ምድጋፍን ኣየቋረጾን። ሊንዳ፡ ኣብ ዌምብሊ ዓብዪ ግጥም ኩዕሶ እግሪ  ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረሉ እዋን ጥዕንኡ ሕማቕ እኳ እንተነበረ  ንዅላ እታ መኪና ሰላሊሞም ምስ አዕሩኽቱ ንክራኸብ ናብቲ ቦታ ከም ዝወሰዱዎ ትዝክር። ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ስታድዩም ከኣ ምስ መሓዙቱ ተራኺቡ። እንታይ ከም ዝስመዖ ብዘየገድስ ክኸይድ እንተደልዩ ንወስዶ ነይርና\" ትብል። ዳሕራይ ግን ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ኣካላቱ ክፈርስ ምስ ጀመረ፡ ክብደት ሰብነቱ ክንክን ድኻምን ናይ ምዝካር ዓቕሙን ከጥፍእ ጀሚሩ። ካብኡ ናብቲ ኣብ በርሚንግሃም ዝርከብ ሆስፒታል ሀርትላንድስ ግዒዙ። ሊንዳ ከኣ ስርሓ ገዲፋ፡ ክሳብ መወዳእታ ህይወቱ ትኣልዮ ነይራ። \"ንሱ ከኣ፡ 'ማማ በጃኺ ስራሕኪ ግበሪ ምሉእ ግዜኺ ንዓይ ክትከናኸኒ ኣይግበኣክን እዩ። ብዛዕባይ ኣይትጨነቒ ይብለኒ ነይሩ” ትብል። ዳሕራይ ሚካኤል ብሰንኪ’ቲ ኣብ እዋን ቑልዕነቱ ንናይ ስርዓተ ደም ጸገሙ ንክፍውስ ተባሂሉ ብዝወሃቦ ዝነበረ ሕማም  ተለኺፉ ሕማምኣንቅጽን ነድሪ ሳንቡእን ኣማዕቢሉ። ብ26 ግንቦት 1995 ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን መበል 26 ዓመት ልደቱ ዓሪፉ ። ድሕሪ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት እቲ ተረኽቦ፡ ሊንዳ ነቲ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ጉጅለ ህዝባዊ መርመራ መርትዖ ሂባ። ምስ ካልኦት ወለዲ ኰይና ከኣ ኣብቲ ብ1970ታትን 80ታትን ደቆም ብሕማም ኤችኣይቪ ዝተለኽፉዎም ስድራ ቤታት ዘሕለፍዎ ተመክሮኣ ኣቕሪባ። \"እቲ ጉዳይ ኣብ ሓቁ ንኽበጽሕ እቲ ዝፈልጦን ዝተሞኮርኩዎን ክነግር ኣለኒ” ከኣ ትብል። \"ኵልና ስለምንታይ ከምኡ ከጋጥም ከም ዝተፈቕደን ቀጻሊ ዝዀነ ክሰተት የጋጥምን ክንርዳእን ክንፈልጥን ኣለና\" ኢላ ። ሊንዳ፡ ስም ኣቡኣ ክዕቀበላ ሓቲታ ኣላ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cy6q003q17xo"} {"headline":"ፓውንድ ብመንጽር ዶላር ዋጋኡ የንቈልቍል ከምዘሎ ተገሊጹ","content":"ፓውንድ፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝተገብረ ገዚፍ ምጕዳል ግብሪ ዝተፈጥረ ኵነታት ዕዳጋ፡ ዋጋኡ ብመንጽር ዶላር ኣሜሪካ ከም ዝነከየ ተገሊጹ። ኣብ ፈለማ ንግዲ ኤስያ፡ ስተርሊንግ ብልዕሊ 4 ሚእታዊት ብምውራድ ናብ 1.04 ዶላር በጺሑ፤ ሰኑይ ንግሆ ከኣ ቅሩብ ዋጋኡ ክብ ብምባል ናብ 1.05 ዶላር በጺሑ ከም ዘሎ ተፈሊጡ'ሎ። እዚ ዝዀነሉ ቻንስለር ብሪጣንያ ክዋሲ ክዋርተንግ ለቓሕ ኣመና ክዓርግ እዩ ተባሂሉ ኣብ ዝግመተሉ ዘሎ እዋን፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ርእሲ'ቲ 45 ቢልዮን ፓውንድ ፓኬጅ፡ ተወሳኺ ምጕዳል ግብሪ ቃል ድሕሪ ምእታዉ እዩ። ማእከላይ ባንክ ኣሜሪካ ወለድ ብምውሳኹ ዓቕሚ ዶላር ክውስኽን ፓውንድ ኣብ ጸቕጢ ክጸንሕን ምኽንያት ኰይኑ እዩ። ኣውፈርቲ፡ ምስ ምእታው ሓጋይ ብዛዕባ ቁጠባዊ ምንቁልቋል ኣብ ዝሻቐሉሉን ቅልውላው ጸዓትን ወይ ኲናት ዩክረይን ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋንን፡ ዩሮ’ውን ኣንጻር ዶላር ድሕሪ 20 ዓመታት ዝወሓደ መጠን ከም ዘመዝገበ ይፍለጥ። ሓደ ካብ መስረቲ ‘ዌልቲ’ ዝተበሃለ ኣውፋሪ ትካል ዝዀነ ፒተር ኤስኮ፡ \"ኵሎም ባጤራታት ኣንጻር ዶላር ኣሜሪካ ዓቕሞም ይወርድ ኣሎ። ስለዚ ሓይሊ ዶላር ኣሜሪካ ይረኣይ ኣሎ። ምስ ፓውንድ ግን፡ እዚ ሓድሽ መንግስቲ ግብሪ ክቘርጽ እዩ፤ እዚ ድማ ዝቕባበ ዘኸትል’ዩ ብዝብል ዜና እዩ ተጋዲዱ፡” ይብል። \"ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተገብረ ድጐማ ጸዓትን ባንክ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዛዕባ ምውሳኽ ዋጋታት ህጹጽ ኣኼባ ከድልዮ ይኽእል እዩ ዝብል ዜናን ተወሲኽዎ፡ ዝፈጠሮ ናይ ስንባደ ስምዒት'ዩ\" ክብል ወሲኹ ገሊጹ። ገለ ኣውፈርቲ፡ ባንክ ዓዲ እንግሊዝ ምውራድ ፓውንድ ደው ንምባል ህጹጽ ስጕምቲ ክወስድ ክግደድ እዩ ዝብል ግምት ኣለዎም። ኣብ ኤስፒኣይ ኣሴት ማነጅመንት መሻርኽቲ ስቲቨን ኢነስ፡ \"እቲ ጸገም ዋላ ንግዚኡ ደው ንምባል፡ ባንክ እንግሊዝ ዝቕባብ ንምቁጽጻር ዝዀነ ይዅን ስጕምቲ ክወስድ ይኽእል'ዩ። ኣብ ዕዳጋ ተኣማንነት ንምርካብ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ህጹጽ ኣኼባ ወሰኽ መጠን ክካየድ ይኽእል'ዩ። ዋላ’ውን ሎም መዓልቲ ወሰኽ ዋጋ ክንርኢ ንኽእል ኢና”  ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ፓውንድ ከምዚ'ሉ ኣብ ዝተሓተ ደረጃኡ እንተቐጺሉ፡ እቶም ብዶላር ተዓዲጐም ዝኣትዉ ከም ነዳዲን ጋዝን ዝኣመሰሉ ሃለኽቲ ነገራት ዋጋኦም ክኸብር እዩ። ናብ ኣሜሪካ ዝገሹ በጻሕቲ ድማ፡ እቲ ዝሕዝዎ ገንዘብ ከምቲ ቅድሚ ምውዳቕ ስተርሊን ዝነበረ ዘይክኣኽሎም ይኽእል። ኣብ ብሪጣንያ፡ ኣውሮጳ - ድሒሩ ድማ ሰኑይ - ኣሜሪካ ፋይናንሳዊ ዕዳጋታት ኣብ ዝኽፈቱሉ እዋን፡ ኣውፈርቲ ምንቅስቓስ ፓውንድ ብቐረባ ክከታተልዎ እዮም።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c1v4y93l0k6o"} {"headline":"ቲክቶክ፡ብኸመይ እዩ ካብ ዝልምኑ ስደተኛታት ዝኸስብ ዘሎ?","content":"ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሶርያ ዝርከቡ ስድራቤታት፡ ሓገዝ ንምርካብ ኣብ ቲክቶክ ክልምኑ እንከለው፡ እቲ ኩባንያ 70 ሚእታዊት ካብቲ ዝረኽብዎ ሓገዝ ከም ዝወስድ ቢቢሲ ዘካየዶ መርመራ ኣረጋጊጹ። ኣብቲ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ህጻናት ንሰዓታት ብቐጥታ ብዝመሓላለፉ ቪድዮታት፡ ብገንዘብ ዝትመኑ ዲጂታዊ ልግሲታት ክግበረሎም ይልምኑ። እቶም ብቐጥታ ዝመሓላለፉ ቪድዮታት ኣብ ሰዓት ክሳብ ሓደ ሽሕ ዶላር ከም ዝርከቦም ቢቢሲ ክርዳእ ክኢሉ፤ እንተዀነ እቶም ስደተኛታት ካብዚ ውሑድ ገንዘብ ጥራይ’ዩ ዝበጽሖም። ቲክቶክ፡ ኣብ ልዕሊ “መዝማዚ ልመና” ስጕምቲ ከም ዝወስድ ይገልጽ። እቲ ኩባንያ፡ ከምዚ ዓይነት ትሕዝቶ ኣብቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ክመሓላለፍ ከም ዘይፈቅድ ብምግላጽ፡ ካብቶም ዲጂታዊ ልግስታት ዝወስዶ ግን ትሕቲ 70 ሚእታዊት ከም ዝዀነ ሓቢሩ። ክንደይ ዝኣክል ብጽሒት ከም ዝወስድ ግን ግልጺ ንምግባር ፍቓኛ ኣይኰነን። ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት [2022]፡ ተጠቀምቲ ቲክቶክ ብብዝሒ እቶም ኣብ ሶርያ ካብ ዝርከቡ መዓስከራት ዘለው ስደተኛታት ዘመሓላልፍዎም ቪድዮታት መሊኡ ክርእይዎ እንከለው፡ ገለ ምትላል ይፍጸም ከይህሉ ዝብል ስግኣት ነይርዎም። ኣብ ሰሜን-ምዕራብ ሶርያ ኣብ ዘሎ መዓስከር፡ እቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ቲክቶክ ዝርአ ቪድዮ ልመና ብዝብል ስድራቤታት ኣብ ቲክቶክ ቀጥታ ንኽኣትው ተሌፎንን ካልእን ብዘቕርበሎም ‘ቲክቶክ ሚድልማን’ ብዝብሃል ከም ዝዋደድ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ። እቶም መንጐኛታት፡ ምስ ኣብ ቻይናን ማእከላይ ምብራቕን ዘለው ምስ ቲክቶክ ዝተኣሳሰሩ ኤጀንሲታት ዝሰርሑ ኰይኖም፡ ስድራቤታት ኣካውንታት ቲክቶክ ክረኽቡ ከም ዝገብሩ ገሊጾም። እዞም ኤጀንሲታት፡ ኣካል ናይቲ ቲክቶክ ዝኽተሎ ዓለምለኻዊ ስትራተጂ ኰይኖም፡ ብቐጥታ ዘመሓላልፉ ሰባት ዝምልምሉን ተጠቀምቲ ዝያዳ ሰዓታት ኣብቲ መተግበሪ ከሕልፉ ዘተባብዑን’ዮም። ኣልጐሪዝም ቲክቶክ፡ ኣብ ጂኦግራፊያዊ መበቈል ቍጽሪ ተሌፎን ሓደ ተጠቃሚ ዝተመርኰሰ ትሕዝቶ ስለ ዝእምት፡ እቶም መንጐኛታት ሲም ካርድታት ብሪጣንያ ክጥቀሙ ከም ዝመርጹ ገሊጾም። ካብ ብሪጣንያ ዝመጽኡ ሰባት ክኣ፡ እቶም ዝበዝሑ ለገስቲ ምዃኖም ይዛረቡ። ሞና ዓሊ ኣልከሪምን ሽዱሽተ ደቃን፡ ካብቶም መዓልታዊ ኣብ ቲክቶክ ዝኣትዉ ስድራቤታት እያ። እዛ ስድራ፡ ንኣርባዕተ ሰዓታት ኣብ መሬት ኰፍ ኢላ፡ \"Please like, please share, please gift” ዝብላ ሒደት ቃላት ኢንግሊዘኛ ክትደጋግም ትውዕል። በዓል ቤት ሞና፡ ብደብዳብ ነፈርቲ’ዩ ተቐቲሉ፤ ንሳ ድማ ዓይነ ስውር ዝዀነት ጓላ ሸሪፋ መጥባሕቲ ክትገብር ገንዘብ ንምርካብ እቲ ቀጥታዊ ፈነወ ቲክቶክ ትጥቀም ኣላ። እዞም ሰባት፡ ብቨርቹዋል'ኳ ይሓቱ እንተሃለዉ፡ ካብቶም ነዞም ቪድዮታት ዝርእዩ ሰባት ግን ገንዘብ’ዩ ዝውሰድ፤ እዚ ማለት ካብቲ መተግበሪ ጥረ ገንዘብ ይውሰዶም። እቶም ነቲ ቀጥታ ፈነወ ዝርእዩ ሰባት፡ ነቶም ነዚ ትሕዝቶ ዝሰርሑ ሰባት ንምትብባዕ ወይ ሞቕሽሽ ንምሃብ ውሑድ ገንዘብ ካብ ዝጠልቡ ዲጂታዊ ዕምበባታት ክሳብ ኣስታት 500 ዶላር ዝዋጋኦም ቨርቹዋል ኣንበሳታት ይሰዱ። ቢቢሲ፡ ካብ መዓስከራት ሶርያውያን ብቐጥታ ዝመሓላለፉ 30 ቪድዮታት ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ተኸታቲሉ ሓበሬታ ኣኪቡ። በዚ፡ እቶም ነዞም ትሕዝቶታት ዝርእዩ ተጠቀምቲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣካውንት ክሳብ ሓደ ሽሕ ዶላር ዋጋ ዘለዎም ዲጂታዊ ልግስታት ክገብሩ ርእዩ። እቶም፡ ኣብቲ መዓስከር ዘለው ስድራቤታት ግን ካብዚ ሒደት ገንዘብ ጥራይ ከም ዝረኽቡ እዮም ዝዛረቡ። ቲክቶክ'ውን፡ ካብዚ ክንደይ ዝኣክል ከም ዝወስድ ክገልጽ ፍቓደኛ እንተዘይኰነ፡ ቢቢሲ እቲ ገንዘብ ናበይ ከም ዝኸይድ ንምፍላጥ ሓደ ፈተነ ገይሩ። ኣብ ሶርያ ዝርከብ ሪፖርተር፡ ኣብቶም መዓስከር ከም ዝነብር ብምግላጽ ነቶም ንቲክቶክ ቀረባ ዝዀኑ ኤጀንሲታት ረኺብዎም። ኣካውንት ተዋሂብዎ ቀጥታ [ላይቭ] ኣትዩ፤ ኣብ ለንደን ዝርከብ ሰራሕተኛ ቢቢሲ ካብ ካልእ ኣካውንት 160 ዶላር ዝዋጋኡ ልግሲ ሰዲዱሉ። እቲ ቀጥታዊ ፈነወ ምስ ተወድአ፡ እቲ ኣብ ሶርያ ንፈተነ ዝተኸፈተ ኣካውንት 33 ዶላር ጥራይ ወሲዱ፤ ቲክቶክ ድማ 69 ሚእታዊት ዋጋ እቲ ልግሲ ወሲዱ። ኣብ ቲክቶክ ጸላዊ ዝዀነ ፕሮፌሽናል ተጻዋቲ ራግቢ ዝነበረ ኬት ማሶን፡ ምስ ሓደ ስድራ ኣብ ዝገበሮ ቀጥታዊ ፈነወ፡ 330 ዶላር ከም ዝለገሰን ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰዓብቲ ተመሳሳሊ ልግሲ ክገብሩ ከም ዘተባብዐን ይገልጽ። መብዛሕትኡ ሓገዝ ግን፡ በቲ ኩባንያ ማሕበራዊ ሚድያ ከም ዝውሰድ ካብ ቢቢሲ ምስ ተነግሮ፡ “ትርጕም ዘይብሉ”ን ንሶርያውያን ስድራቤታት “ፍትሓዊ ዘይኰነን” ኢሉ። “ግሉጽነት ክህሉ ኣለዎ፤ እዚ ንዓይ ስስዐ’ዩ፡ ስሱዕ’ዩ።” እቲ ቢቢሲ ካብ ዝሃቦ 106 ዶላር ዝተረፈ 33 ዶላር፡ ኣብ ሶርያ ካብ ዝርከብ ገንዘብ ዘመሓላልፍ ድኳን ክወጽእ እንከሎ ተወሳኺ 10 ሚእታዊት ተነክዩ። መንጐኛታት ቲክቶክ፡ 35 ሚእታዊት ወሲዶም ነቲ ስድራ ስደተኛታት 19 ዶላር ጥራይ ይህብዎ። ሓሚድ፡ ኣብቲ መዓስከር ካብ ዝርከቡ መንጐኛታት ቲክቶክ እዩ። ንሱ፡ ኣብ ቲክቶክ ምስ ዘለዉ ስድራቤታት ንምስራሕ ዘኽእሎ ሞባይል፣ ሲምካርድን ዋይፋይን ንምዕዳግ ዝነበራኦ ጥሪት ከም ዝሸጠ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ሕጂ፡ ኣብ መዓልቲ ንነዊሕ ሰዓታት ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ 12 ስድራቤታት ይኣቱ። ሓሚድ፡ ቲክቶክ እቶም ስድራቤታት ናብራ ክደፍኡ ይሕግዝ’ዩ ዘሎ ይብል። ንመካየዲ ስራሕ ዝኸውን ቈሪጹ ክኣ ዝበዝሐ መኽሰብ ከም ዝኸፍሎም ይዛረብ። ልክዕ ከምቶም ካልኦት መንጐኛታት፡ ሓሚድ’ውን፡ በቶም ኣብ ቻይና ዝርከቡ ብቐጥታ ምስ ቲክቶክ ዝሰርሑ፡ “ናይ ቀጥታ ኤጀንሲታት” ይሕገዝ እዩ። “ምስቲ መተግበሪ ዝዀነ ጸገም እንተሃልዩና ይሕግዙና። ንኣካውንታት ይዓጽውን ይኸፍቱን። ሽምን ስእልን ንህቦም፡ ንሶም ክኣ ኣካውንት ይኸፍቱልና” ይብል ሓሚድ። ከምዚኦም ዝበሉ ኤጀንሲታት፡ \"livestreaming guilds\" ዝበሃሉ ኰይኖም፡ ኣብ መላእ ዓለም እዮም ዝርከቡ። እዞም፡ ተጠቀምቲ ብብዝሒ ብቐጥታ ዝመሓላለፉ ትሕዝቶታት ንኸፍርዩ ኣብ ምሕጋዝ ንኽሰርሑ ብቲክቶክ ዝተቘጸሩ’ዮም። ቲክቶክ፡ ብልክዕ እቲ ኣብ ኣየር ዝጸንሑሉ ሰዓትን ዋጋ ዝተቐበልዎ ልግስን ዓስበ-ድለላ ከም ዝኸፍሎም እቶም ኤጀንሲታት ንቢቢሲ ተዛሪቦም። እቲ ንሰዓት ዝወሃብ ዘሎ ትዅረት፡ ቲክቶከራት ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሶርያ ዝርከቡ ህጻናት ሓዊሱ ኣብ ሓደ ግዜ ንሰዓታት ኣብ ቀጥታ ፈነወ ንኽጸንሑ ንምግባር ዝዓለመ እዩ። ማርዋ ፋታፍታ፡ ኣብ ትካል ዲጂታዊ መሰላት ‘ኣክሰስ ናው’ እያ ትሰርሕ። እዞም ቀጥታዊ ፈነወታት፡ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት “ካብ ጉድኣት፡ ሓደጋ ወይ ምዝመዛ ምክልኻል” ንዝብሉ ፖሊሲታት ቲክቶክ ዝጻብኡ ከም ዝዀኑ ትገልጽ። \"ቲክቶክ፡ ተጠቀምቲ ብግልጺ ህያባት ክሓቱ ከም ዘይፍቀደሎም ብንጹር ይገልጽ፣ ስለዚ፡ ብንጹር ናይ ገዛእ ርእሶም ውዕል ኣገልግሎት፡ ከምኡ'ውን መሰል ናይዞም ሰባት ምግሃስ'ዩ\" ኢላ። ሰባት፡ “ሓገዝን ርህራሀን” ካልኦት ንምርካብ ዛንታኦም ኣብ ኦንላይን ከካፍሉ መሰል ኣለዎም’ዩ እትብል ማርዋ፡ እዞም ቀጥታዊ ፈነወታት ግን “ክብሪ ዝጐድሎምን ዘዋርዱን’ዮም” ትብል። ሕግታት ቲክቶክ፡ ኣብ ቀጥታ ቅድሚ ምእታውካ ሓደ ሽሕ ሰዓብቲ ክህልውኻ ኣለዎም፣ ህያባት ክትሓትት ኣይፍቀድን ከምኡ’ውን ህጻናት ኣብቲ መተግበሪ ካብ “ጉድኣት፡ ሓደጋ ወይ ምዝመዛ ክትከላኸለሎም” ግድን ምዃኑ ይጠቅስ። ቢቢሲ፡ ነዚ ጸብጻብ ንምድላው ኣብ ዝተኸታተሎም 30 ኣካውንታት ግን ህጻናት ክልምኑ ተራእዮም’ዮም። ቲክቶክ ድማ፡ እዚ ብዝዀነ መዐቀኒ ንፖሊሲታተይ ዝተጻብአ ኣይኰነን ይብል። ቢቢሲ ብቐጥታ ካብ ቲክቶክ ምላሽ ክሓትት እንከሎ፡ እቲ ኩባንያ ንዅሎም ኣካውንታት ዓጽዩዎም። ነዚ ስዒቡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ \"ብቢቢሲ ዝቐረበ ሓበሬታን ክስታትን ኣዝዩ የሻቕለና’ዩ፤ ቅልጡፍን ጽኑዕን ስጕምቲ ወሲድና ኣለና። ከምዚ ዓይነት ትሕዝቶ ኣብ መድረኽና ኣይፍቀድን እዩ፤ ኣብ ዙርያ መዝማዚ ልመና ድማ ዓለማዊ ፖሊሲታትና ዝያዳ ነሐይል ኣለና፡\" ኢሉ። ቲክቶክ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዓለም እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ማሕበራዊ ሚድያ ኰይኑ፡ ካብ 2017 ጀሚሩ 6.2 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ረኺቡ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c89p87dvjjdo"} {"headline":"ንሊዝ ትራስ ተኪኡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ክኸውን ዝኽእል መን’ዩ?","content":"ሊዝ ትራስ ን45 መዓልታት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ኮይና ድሕሪ ምራሕ ካብ ሰልጣን ከምእትወርድ ድሕሪ ምሕባራ፤ ንዓኣ ዝትክእ መን’ዩ ክኸውን ዝብል ሕቶ ዛዕባ ኮይኑ ይርከብ። ሊዝ ትራስ ነቲ ግዚኡ ከይኣኸለ ካብ ስልጣን ዝወረደ ቦሪስ ጆንሰን ተኪኣ’ያ ናብ ስልጣን መጺኣ፡ ንሳ’ውን ኣብ 45 መዓታት ካብ ስልጣና ትወርድ ኣላ፡ በዚ መሰረት ብሪጣንያውያን ኣብ ሓደ ዓመት ሰለስት ቀዳማይ ሚኒስተራት ክርእዩ’ዮም። ሊዝ ትራስ’ውን እታ ዝወሓደ መዓልታት ኣብ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተርነት ዝጸንሐት ኮይና ኣላ። እቲ መን’ዩ ንሊዝ ሩዝስ ክትክኣ ዝብል ሕቶ ኣብ መወዳእታ ዝመጽእ ሰሙን መልሲ ክርከቦ’ዩ። ክሳብ ሕጂ መን’ዩ ንምትካኣ ክወዳደር ዝተፈለጠ ነገር’ኳ እንተዘይሃለወ፡ እቶም ክትክእዋ ይኽእሉ’ዮም ዝተብሃሉ ግን እዞም ዝስዕቡ’ዮም። ሪሺ ሱናክ ሚኒስተር ፋይናንስ ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብቲ ቦርስ ጆንሰን ንምትካእ ዝተኻየድ ውድድር ምስ ሊዝ ትራስ ተወዳዲሩ ዝነበረ’ዩ። ኣብ እዋን ውድድሮም፡ ሊዝ ትሩዝ ትኽተሎ ናይ ግብሪ መደባት ንቁጠባ ዓባይ ብሪጣንያ ከዕንዋ ከምዝኽእል ብተደጋጋሚ ይገልጽ ነይሩ እዩ፡ ክዕወት ግን ኣይክኣለን። ሪሺ ሱናክ ወለዱ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመጽኡ ኮይኖም፡ ኣቡኡን ኣዲኡን መበቖሎም ካብ ህንዲ’ዩ። ኣብ ሳውዝሃምፕተን ዝተወለደ ሪሺ ሱናክ ኣብ ኦክስፎርድን ስታንፎርድን’ዩ ተማሂሩ። ኣብ 2015 ኣባል ባይቶ ክኸውን ዝኽኣለ ሪሺ፡ ኣብ ለካቲት 2020  ቻንስለር ቤት ግምጃ ዓባይ ብሪጣንያ’ውን ክኸውን ክኢሉ ነይሩ’ዩ። ኣብ እዋን ዓለምለኻዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብቕዓት መሪሕነቱ ብምርኣይ፡ ቁጠ እታ ሃገር ነቕነቕ ከይብል እኹል ባጀት ክስልዕ ክኢሉ’ዩ። እንተኾነ ብዓልቲ ቤቱ ምስ ምኽፋል ግብሪ ዝተሓሓዝ ክሲ ስለዝቐረባ ንሽሙ ከይበለሎ ኣይተረፈን፡ ኣይጸነሐን’ውን ንሕጋጋት ዕጽዋ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ጥሒስካ ተባሂሉ ብገንዘብ ተቐጺዑ ነይሩ’ዩ። ፔኒ ሞርዳንት ቦሪስ ጆንሰን ካብ ስልጣን ምስ ወረደ፡ ንምትክኡ ካብ ዝፈተኑን ካብ ኣባላት ይቶ ጽቡቕ ደገፍ ረኺባ ዝነበረት እያ እንተኾነ ኣብ መወዳእታ ምስ ሊዝ ተሩስን ሪሺ ሱናክን ከመዓራርያ ዝኽእል ድምጺ ስለዘይረኸበት ክትግለፍ ክኢላ። እንተኾነ ሊዝ ትራስ ኣብ ስልጣን ምስ መጽአት ኣብ ክልቲኡ ባይቶታት [ኮመን ከምኡ’ውን ሎርድስ] ንንጉስ ክትውክል ዘኽእል ሽመት’ያ ረኺባ። ፔኒ ሞርዳንት ብ 2019 ቀዳመይቲ ዋና ጽሓፊት ሚኒስትሪ ምክልኻል ብምዃን እታ ቀዳመይቲ ነዚ መዝነት እዚ ዝብቐዐት ብሪጣንያዊት ጓል ኣንስተይቲ ክትከውን ክኢላ። ከሚ ባደኖች ዋላ’ኳ ኣይትተዓወት፡ ሓንቲ ካብቶም ንቦሪስ ጆንሰን ክትክኡ ይኽእሉ’ዮም ተባሂሎም ዝነበሩ ክትከውን ክኢላ ነይራ’ያ። እዛ ኣብ ደቡብ ሎንደን ኣብ ዊንበልደን ዝተወለደት ኣብ ኣሜሪካን ናይጀርያን ዝዓበ ከሚ ባደኖች፡ ኣዲኣ ናይ ሳይኮሎጂ ፕሮፌሰር ኮይና፤ ምስ ኣዲኣ እያ ናብተን ኣዲኣ ትምህረለን ዝነበረት ኣሜሪካን ናይጀርያን ከይዳ። ከሚ ባደኒች፡ ቅድሚ ኣባል ባይቶ ምዃና፡ ኣብ ሓደ ናይ ግሊ ባንኪ ከምኡ’ውን  ኣብ መጽሄት  ‘ ዘ ስፔክታተር’ እያ ትሰርሕ ነይራ። እቲ ብደረጃ ጽፍሒ መንግስቲ ዝለዓለ ዝረኸበቶ ስልጣን ኣብ እዋን መሪሕነት ሊዝ ትሩስ ንክፍሊ ዓለምለኻዊ ንግዲ ምምራሕ’ዩ። ሱላ ብራቨርማን ካብ ዝነበራ ጽፍሒ ውሽጣዊ ጉዳያት ከምዝወረደት ምስ ሓበረት፡ ሊ ትሩስ’ውን 24 ሰዓታት ኣብ ዘይኣክል ግዜ’ያ ካብ ስልጣን ብፍቐዳ ከምእትወርድ ገሊጻ። በዚ መሰረት ምውራድ ሱላ ብራቨርማን ንሊዝ ትሩስ ብኸቢድ ጸልይዋ ከምዝኸውን ብዙሓት ይገልጹ’ዮም። ሱላ ካብ ስልጣን ከምእትወርድ ኣብ ዝገለጸትሉ፡ ብዛዕባ ስደተኛታት ኣብ ዝምልከት ዛዕባ ዘይምስምማዕ ከምዘጋጠመ ኣአንፊታ’ያ። ሱላ ብራቨርማን እቲ ሓተትቲ ዑቕባ ጉዳዮም ኣብ ርዋንዳ ኮይኑ ክረአ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ብትሪ ካብ ዝደፍእሉ ዝነበሩ መራሕቲ’ያ። እዛ ኣብ እዋን መሪሕነት ቦሪስ ጆንሶን ኣኽባሪት ሕጊ ዝነበረት ሱላ ብራቨርማን፡ ሓንቲ ካብቶም ንቦሪስ ጆንሰን ንምትካእ ተፋ ዝነበሮም ኮይና ካብ ካልኣይ ዙር መረጻ ግን ክትሰግር ኣይክኣለትን። ስደራኣ ካብ ኬንያን ሞሪሸይስን ኮይኖም ኣብ 1960ታት እዮም ብስደት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣትዮም፡ ክልቲኦም ኸኣ ኣብ ፖሎቲካ እዮም ዝነጥፉ ነይሮም፡ ኣዲኣ’ውን ን16 ዓመታት ኣባል ቤት ምኽሪ ኮይና ክትሰርሕ ክኢላ እያ። ሱላ ብራቨርማን ኣብ ሎንዶን ዝተወለደት ኮይና ተኸታሊት እምነት ቡድሃ’ያ። እዞም ኩሎም ንሊዝ ትሩስ ክትክኡ ይኽእሉ’ዮም ዝብሃሉ ዘለዉ ዳርጋ ሰብ ኩሉ ይፈልጦም’ዩ፡ ሓለፋ ኩሎም ግን እቲ ቅድሚ ኣዋርሕ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ዝነበረ ቦሪስ ጆንን’ዩ ዝፍለጥ። ቦሪስ ጆንሰን ኣብ ወርሒ ሓምለ ካብ ሚኒስተራትን ኣባላት ባይቶን ገዚፍ ተቃውሞ ምስ ወረዶ’ዩ ብዘይፍታዉ ካብ ስልጣን ከምዝወርድ ሓቢሩ። ኣብ እዋን ዕጽዋ ፈንጠዝያ ዝተሓወሶ ድግሳት ትገብር ኔርካን ካልእን ዝብል ክስታት ስለዝቐረቦ’ዩ ካብ ስልጣን ክወርድ ተገዲዱ።ቦሪስ ጆንሰን ካብ ኣባላት ባይቶ ክሳብ ሕጂ ብዙሓት ደገፍቲ ስለዘለውዎ ካብ ምውድዳር ዝዓግቶ ሕጊ’ውን ስለዘየለ ክወዳደር ይኽእል’ዩ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ካብኡ ዝተሰመዐ ነገር የለን። ዋላ’ኳ እቲ ዝምረጽ ወይ እታ ትምረጽ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን እንተኾነ ብህዝቢ ኣይኮነን ክምረጽ። ተወዳዳሪ ኮይንካ ንኽትምረጽ’ውን ቅድሚኡ ክሕለፍ ዘለዎ መስርሓት ኣሎ። መጀመርታ ብውሕዱ 100 ካብ ኣባላት ባይቶ ንኽትወዳደር ድምጾም ክህቡኻ ኣለዎም፡ 357 ኣባላት ባይቶ ስለዘለዉ ኸኣ ልዕሊ ሰለስ ተወዳደርቲ ክህልዉ ኣይክእሉን’ዮም። መብዛእትኡ ግዜ’ውን ክልተ ጥራይ ተወዳደርቲ’ዮም ዝህልዉ፡ ሓደ ጥራይ ዝኾነሉ እዋን’ውን ኣሎ። ክሳብ ሎሚ ምሸት ሓደ ካብቶም ተሓጽዮም ዘለዉ ካብ ኣባላት ባይቶ 100 ድመጺ ክረኽብ እንተኽኢሉ ንሱ ወይ ንሳብ ብቐጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ምኻን ዕድል ክህልዎ’ዩ። ካብ ሓደ ንላዕሊ ልዕሊ 100 ድምጺ እንተረኺቦም ግን ኣባላት ባይቶ ዓባውያን ድምጾም ብምሃብ ቀዳማይ ሚኒስተር ከፍልጡ’ዮም። ቀዳማይ ሚኒሰትር ዓባይ ብሪጣንያ መን ከምዝኾነ ኸኣ 28 ጥቅምቲ ብወግዒ ክሕብር’ዩ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c0d9x0nxk7eo"} {"headline":"ሎሚ ኣብ ዝፍጸም ስነ ስርዓት ቀብሪ ንግስቲ መን'ዩ ክሳተፍ?","content":"ሎሚ፡ ስነ ስርዓት ቀብሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ክፍጸም’ዩ። ኣብዚ ብርክት ዝበሉ ኣባላት እቲ ንጉሳዊ ስድራን ብሪጣኒያ ንዓሰርታት ዓመታት ዘጋየሸቶም ፖለቲከኛታትን ክርከቡ’ዮም። 500 መራሕቲ ሃገራትን ሰበስልጣንን ዕድመ ተላኢኹሎም ኣሎ። ኣባላት ስድራ፣ መሓዙትን ዓጀብትን’ውን ክርከቡ’ዮም። ዝርዝር እቶም ትጽቢት ዝግበረሎም ኣጋይሽ ወግዓዊ እኳ እንተዘይኰነ፡ ክሳብ ሕጂ ብዘለና ሓበሬታ ግን ኣብቲ ዝርዝር መን ክህሉ ይኽእል፡ ብርግጽ መንከ ኣይመጽእን ዝብል ክንሕብረኩም። ንጉስ ቻርለስ፡ ምስ ንግስቲ ‘ኮንሰርት’ ካሚላ ክርከብ እዩ። ብተወሳኺ፡ ካልኦት ሰለስተ ደቀን - ማለት- ልእልቲ ኣን፣ ልኡል ኣንድሪውን ልኡል ኤድዋርድን ከምኡ’ውን ኣንስቶምን በዓልቲ ቤት ኣንድሪው ዝነበረት ሳራ ፈርጉሰንን ክርከቡ እዮም። ደቅ ደቂ እተን ንግስቲ፡ ልኡል ዊልያምን ሃሪን፣ ልእልቲ ቢያትሪስን ዩኢንን፣ ዛራ ቲንዳል፣ ፒተር ፊሊፕስ፣ ሌዲ ሉዊስ ዊንድሶርን ጄምስን፣ ቪስካውንት ሰቬርን ምስ ኣንስቶምን ሰብኡተንን ትጽቢት ይግበረሎም። ካብቶም 12 ደቂ ደቀን፡ ክንደይ ዝኣኽሉ’ዮም ክርከቡ ዝብል ግልጺ እኳ እንተዘይኰነ፡ ልኡል ጆርጅን ልእልቲ ቻርሎቴን ግን ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ ኣሎ። ካብ ሞንጐ እቶም ካልኦት ትጽቢት ዝግበሩ ዕዱማት፡ ሓው ልእልቲ ዲያና ከምኡ’ውን ኣኮ ዊልያምን ሃሪን ዝዀነ አርል ስፔንሰር፣ ልኡልን ልእልትን ኬንት ሚካኤል ከምኡ’ውን መስፍን መስፍንቲን ኬንት እዮም። ንዓሰርታት ዓመታት ኣብ ጐኒ እተን ንግስቲ ዝነበሩ ሰባት፡ ኣብ ዝርዝር እቶም ትጽቢት ዝግበሩ ዕዱማት ክዀኑ ልዑል ተኽእሎ ኣሎ። እዚኦም፡ ነተን ንግስቲ ካብ 1960ታት ጀሚሩ ዝሰርሓ ሌዲ ሱዛን ሁሴይ ይርከብኦም። ንሰን ኣባልገ ልኡል ዊልያም’ውን እየን። ብ2021፡ ስነ ስርዓት ቀብሪ ልኡል ፊሊፕ ክፍጸም እንከሎ ነተን ንግስቲ ኣሰንየን ተረኺበን ነይረን። ካልእ ጓል 83 ዓመት እመቤት ሜሪ ሞሪሰን፣ ድሓር ናይ ውልቂ ተሓጋጋዚትን ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣልባሲት ክዳነን ዝነበረት ኣንጄላ ኬሊን እውን ክርከባ እየን። ኣንጄላ፡ ናይ ቀረባ ሚስጥረኝአን ከም ዝነበረት’ውን ይንገር። ብተወሳኺ ናይ ፈረስ ቅድድም ኣማኻሪአንን መሓዝአንን ጆን ዋረን እውን ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ክርከብ እዩ። ክልቲኦም፡ ኣብ 2013 ኣብ ዝነበረ ውድድር ፈረስ እተን ንግስቲ ወርቂ ዋንጫ ክዕወት እንከሎ እንትጽንብሉ ተራእዮም ነይሮም። ቅድሚ ምማተን ክረኽበን መደብ ዝነበሮ ሻምፒዮና ዓለም ‘ፎርሙላ-1’ ነበር ጃኪ ስቲዋርት፡ ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ክርከብ ትጽቢት ይግበር። ጸሓፊ ታሪኽን ጋዜጠኛን ሰር ዴቪድ ኣቴንብሮ ካልእ ካብቶም ትጽቢት ዝግበረሎም ዕዱማት እዩ። ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊትን ሰር ዴቪድ ኣቴንብሮን ኣብ ውሽጢ ናይ ሰሙናት ኣፈላላይ ዝተወለዱ መሓዙት ኰይኖም፡ ኣብ ዝተፈላላዩ እዋናት ብሓባር ሰሪሖም’ዮም። ኣባላት ንጉሳዊ ስድራ ኣውሮጳ - መብዛሕትኦም ናይ ስጋ ዘመድ እተን ንግስቲ ዝኾኑ - ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ክርከቡ ትጽቢት ይግበር። ንጉስ ቤልጅዩም ፊሊፔን ንግስቲ ማቲልዴን፣ ንጉስ ኔዘርላንድ ዊልያም ኣሌክሳንደርን በዓልቲ ቤቱ ንግስቲ ማክሲማን ከምኡ’ውን ኣዲኡ ንግስቲ ኔዘርላንድ ዝነበረት ልእልቲ ቢያትሪክስን ከም ዝመጽኡ ኣረጋጊጾም ኣለው። ንጉስ ስፔን ፌሊፕን በዓልቲ ቤቱ ንግስቲ ሌቲዛን’ውን እቲ ዕድመ ዝተቐበሉ ኰይኖም፡ ኣባላት ንጉሳዊ ስድራ ኖርወይ፣ ስዊድን፣ ዴንማርክን ሞናኮን እውን ከም ዝመጽኡ ተፈሊጡ ኣሎ። ንጉሰ ነገስት ጃፓን ናሩሂቶን ንግስቲ ማሳኮን፣ ንጉስ ቡታን ጂግሜ ቄሳር ናምጊሌ ዋንግቹ ክርከቡ’ዮም። ብተወሳኺ፡ ሱልጣን ብሩነይ ሃሳናል ቦልኪያ፣ ንጉስ ዮርዳኖስ ዓብዱላህ፣ ልኡል ኩዌት ሸኽ መስሃል ኣል-ኣሕማድ ኣል-ሳባሕ፣ ንጉስ ሌሴቶ ሌትሲ ሳልሳይን ወራሲ ዓራት ሌችቴንስታይን ልኡል ኣሎሲን ክመጽኡ’ዮም። መራሕቲ ንግስነት ላክሰምበርግ፣ ማሌዥያ፣ ሞናኮ፣ ሞሮኮ፣ ኦማን፣ ቀጠርን ቶጎን’ውን ትጽቢት ይግበረሎም። መራሕቲ፡ እተን ንግስቲ ኣብ ዘመን ንግስንአን መራሒት ናይ ዝዀንአን ሃገራት ኮመንዌልዝ ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ክርከቡ እዮም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣውትራሊያ ኣንቶኒ ኣልባኒስ ብሪጣኒያ ኣትዩ ኣሎ። ቀዳመይቲ ሚኒስትር ኒውዚላንድ ጃሲንዳ ኣርደሬን፣ ቀዳማይ ሚኒስትር ካና ጀስቲን ትሩዶን’ውን ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ይርከቡ። ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ቀዳማይ ሚኒስትር ባንግላድሽ ሸኽ ሃሲናን ፕሬዝደንት ህንዲ ዲሩፓዲ ሙርሙን’ውን ኣብታ ሃገር ከም ዝኣተው ይግለጽ። ፕረዚደንት ስሪላንካ’ውን ነቲ ዕድመ ከም ዝተቐበለ ተሓቢሩ ኣሎ። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ምስ በዓልቲ ቤቱ ቀዳማዊት እመቤት ጂል ባይደንን ካልኦት ዕዱማትን ብቐዳም ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ኣትዮም’ዮም። መራሕቲ ሃገራት ኣየርላንድ፣ ጀርመን፣ ጥልያንን ፈረንሳን’ውን ነቲ ዝቐረበሎም ዕድመ ተቐቢሎም ኣለው። ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒን’ውን ሓደ ካብቶም ዝቐረበሎም ዕድመ ዝተቐበሉ መራሕቲ ኰይኑ፡ መንግስቱ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዓሌት ዊገር ብዘለዎ ኣተሓሕዛ ግን ገለ ኣባላት ባይቶ ነቲ ዕድመ ተቓዊሞምዎ ነይሮም። ምንጪታት ባይቶ ከም ዝሕብሩዎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰብ መዚ ቻይና ኣብ ህንጻ ዌስትሚኒስትር ኣስክሬን እተን ንግስቲ ንምብጻሕ ተኸልኪሎም እዮም። ብቐዳም፡ መንግስቲ ቻይና፡ ምኽትል ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ከም ዝርከብ ኣረጋጊጹ ኔሩ። ወራሲ ዓራት ልኡል ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢል ሳልማን ዕድመ ቐሪብሉ’ኳ እንተነበረ፡ ትማሊ ሮይተርስ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ግን እቲ ልኡል ኣብቲ ቀብሪ ከም ዘይርከብ ሓቢሩ። መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ፍሉጥ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ብ2018 ካብ ዝቕተል ንድሓር ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ በጺሑ ኣይፈልጥን። እቲ ልኡል፡ ቅትለት እቲ ጋዜጠኛ ክፍጸም ኣዚዙ ብዝብል ይኽሰስ። ብኻልእ ወገን፡ ብሰንኪ ምምዕባል ኒኩሌር እገዳታት ዝተነብራ ኢራን ብደረጃ ኣምባሳደር ኣብቲ ቀብሪ ከም እትሳተፍ ተገሊጹ ኣሎ። ወከልቲ ሶርያ፣ ቬነዝወላንን ኣፍጋኒስታንን ኣይተዓደሙን። እዚ ኢንግሊዝ ምስተን ሃገራት ምሉእ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ስለ ዘይብላ እዩ። ካብ ሩሲያ፣ ቤላሩስን ሚያንማርን’ውን ዝተዓደመ የለን። ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ እትፍጽም ንድሓር፡ ኣብ ሞንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ፈሪሱ’ዩ። ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ድማ፡ ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ንምርካብ “ኣይሓሰብናሉን” ኢሉ። ሰሜን ኮርያን ኣብ ሞንጐ ፓስፊክን ባሕሪ ካሪብያንን እትርከብ ኒካራጉዋን ኣምባሳደራተን ጥራይ ክልእኻ ተዓዲመን ኣለዋ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cn3rjep89p3o"} {"headline":"ሰኑይ ዝፍፀም ስነ-ስርዓት ቀብሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ሃገራዊ በዓል ኮይኑ ፀዲቑ","content":"መዓልቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ኣብ መላእ ዓባይ ብሪጣንያ ሃገራዊ በዓል ኮይኑ ክኽበር ብወደን ንጉስ ቻርለስ ፀዲቑ። ወደን ንጉስ ቻርለስ ኣብ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓርት ንግስና እዩ ነዚ ኣፅዲቑ ዘሎ። ስነ-ስርዓት ቀብሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ሰኑይ 19 መስከረም 2022 እዩ ክፍፀም። ንነዊሕ ዓመታት ንዓባይ ብሪጣንያ ብንግስና ዝገዝኣ ንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ባልሞራል ኣብ ዝርከብ ናይ ስኮትላንድ ግዝኣተን እየን ዓሪፈን። ስነ-ስርዓት ቀብረን ድማ ነገስታትን ንግስትታትን ዓባይ ብሪጣንያ ዘውዲ ኣብ ዝደፍእሉ ኣብ ዌስት ሚኒስተር ኣቢ ኣብ ዝርከብ ቤተ-ክርስትያን እዩ ክፍፀም። እዚ ቤተ-ክርስትያን ኣብ 1947 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ዳግማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ምስ ልኡል ፊሊፕ ቃል-ኪዳን ዝኣሰርሉ እዩ። ስነ-ስርዓት ቀብሪ ወላዲት እዘን ንግስቲ፡ ኣብ 2002 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን’ኳ እንተተፈፀመ፡ ካብ መበል 18 ክፍለ ዘበን ንንዘ ኣብ ኣቢ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣይተፈፀመን። ዌስት ሚኒስትር ኣቢ፡ ካብ 1953 ጀሚሩ ንሹመት በዓል ንግስቲ ኤልሳቤጥ ሓዊሱ ነገስታትን ንግስትታትን ዓባይ ብሪጣንያ ዝፍፀመሉ እዩ። ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝመፅኡ መራሕቲ ዓለም፡ ንህይወት እዘን ንግስትን ኣገልግሎተንን ንምዝካር፡ ናብ ኣባላት እቲ ንጉሳዊ ስድራ ክፅንበሩ ክዕደሙ’ዮም። ላዕለዎት ፖለቲከኛታት ዓባይ ብሪጣንያን ቀዳሞት ሚኒስትራት እታ ሃገርን፡ ኣብቲ ብቐጥታ ተሌቬዥን ዝመሓላለፍ ምድላው ክርከቡ ትፅቢት ይግበር። ሓደ ሓደ ትካላት ንግድን ኣብያተ ፅሕፈትን፡ ኣብ ዕለት ስነ-ስርዓት እዘን ንግስቲ፡ ክዓፅዉ ወሲኖም። ነዚ ስዒቡ መዓልታዊ ናብራ ካብ ካልእ እዋን ዝተፈለየ ክኸውን ትፅቢት ይግበር። ሮያል ሜይል ኣብ መዓልቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ እተን ንግስቲ፡ ኣገልግሎታት ፖስታ ከም ዝእገዱ ኣፍልጡ ኣሎ። ከም ሃሮድስ ዝበሉ ትካላት ድማ፡ ክዓፅዉ ከም ዝተለሙ ገሊፆም። መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ እዚ ተኣዊጁ ዘሎ ሃገራዊ ሓዘን፡ መንግስታዊ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ክሳብ ዝፍፀም ከም ዝፀንሕ ኣፍሊጡ። ዋላ’ኳ ትካላት ኣቐዲሞም ዝተለምዎም ምድላዋቶም ክስርዙ ግድን እንተዘይኮነ፡ ንዕረፍቲ እዘን ንግስቲ ስዒቡ፡ መብዛሕትኦም ትካላት ዝነበሮም መደባት ሰሪዞም ወይ ድማ ንካልእ እዋን ኣናዊሐሞ። ኣብ ስኮትላንድ ሰሜን ኣየርላንድን ዝካየዱ ግጥማት ፕሪምየር ሊግን ሊግ ኵዕሶ እግሪ እንግሊዝን ክሳብ ዝቕፅል ሰሉስ ዝተናውሑ እንትኾኑ፡ ፀዋታት ሱፐር ሊግ ደቂኣንስትዮ፣ ሻምፒዮና ደቂ ኣንስትዮን ኤፍ ኤ ዋንጫ ደቂ ኣንስትዮን ንካልእ እዋን ተናዊሖም። ብዙሓት ውድድራት ፈረስ፣ ጎልፍን ግጥም ጉስጢትን ከኣ ተቛሪፆም። ኣብ ዝቕፅሉ ሰሙናት ክካየዱ ተተሊሞም ዝነበሩ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማታት’ውን፡ ንሞት እዘን ንግስቲ ስዒቡ ተሰሪዞም። ኮንግረስ ማሕበር ሰራሕተኛ፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ከካይዶ ተሊምዎ ዝነበረ ዓመታዊ ጉባኤ፡ ምእንተ ክብሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ክብል ንካልእ እዋን ኣመሓላሊፈዮ ኣለኹ ኢሉ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv216g72plko"} {"headline":"ቻርለስ፡ ሓዲሽ ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ ኰይኑ","content":"ንግስቲ ኤልሳቤጥ ምስ ሞተት፡ እቲ ዙፋን ብኡንብኡ ናብ ወራሲ ዙፋን ዝዀነ ወዳ ልኡል ዌልስ ነበር ቻርለስ ሓሊፉ’ሎ። ይዅን እምበር፡ ዘውዲ ንግስነት ንኽደፍእ ሓያሎ ግብራውን ባህላውን መስርሕ ኣለዎ። ፈለማ እቲ ሓዲሽ ንጉስ፡ ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ ድዩ ክበሃል ዝደሊ ወይስ ካልእ ስም ክመርጽ ክውስን እዩ። ንኣብነት፡ ኣቦሓጐኡ፡ ጆርጅ ሻድሻይ፡ እቲ ቀንዲ መጸውዒ ስሙ ‘ኣልበርት’ እዩ ነይሩ። ይዅን እምበር ካብቲ ማእከላይ ኣስማቱ ጆርጅ ንዝብል ሓርዩ ብእኡ ክጽዋዕ እዩ መሪጹ። ቻርለስ ከኣ ካብቲ ኣርባዕተ ኣስማት ናቱን ናይ ወለዱን፡ ማለት፡ ቻርለስ፡ ፊሊፕ፡ ኣርተር፡ ጆርጅ [ናቱ፡ ናይ ኣቦኡ፡ ናይ ኣቦሓጐኡ፡ ናይ ኣቦ ኣባሓጐኡ፡ ኣርባዕተ ኣስማት] ንሓደ ካብኡ ክመርጽ ይኽእል እዩ። ስሙ ክቕይር እንተደልዩ እውን ቅድሚኡ ስለ ዝተገብረ ሓዲሽ ስም ክመርጽ ይኽእል። ንኣብነት ወዲ ቻርለስ ልኡል ዊልያም ወራሲ ዙፋን እኳ እንተዀነ ፡ ብኡንብኡ ግን ልኡል ዌልስ ኣይክኸውንን እዩ። ንቕድም ነቲ ናይ ኣቦኡ ዱክ\/መስፍን ኮርንወል ዝብል ዝጸንሐ መዓርግ እዩ ዝወርስ። በዓልቲ ቤቱ ካትሪን እውን 'ዳችስ ኮርንወል' እያ ክትበሃል። ንበዓልቲ ቤት ቻርለስ [ካሚላ ሮስመሪ] እውን ንግስቲ ኮንሶርት ዝብል ሓድሽ መዓርግ ክህልዋ እዩ። ኮንሶርት ማለት በዓልቲ ቤት ወይ ሰበይቲ ንጉስ ንምባል ዘገልግል ቃል እዩ። ቻርለስ፡ ድሕሪ ሞት ወላዲቱ ኣብተን ናይ መጀመርታ 24 ሰዓታት ብወግዒ ክነግስ እዩ። እቲ ጽንብል ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ሰይንት ጀምስ ፓላስ ኣብ ቅድሚ ጸምበልቲ ሽማግለ ወራስ-ዝፋን ክፍጸም እዩ። [ሽማግለ ጸምበልቲ ወራስ-ዝፋን Accession Council መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ሓደ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ዘቕውም ኰይኑ፡ ኣብ ሴንት ጀምስ ፓላስ ብወግዒ ሞትን ስንብታን ንግስቲ ብምግላጽ ተካኢ ናይቲ ዝፋን ዝእውጅ ሕጋዊ ኣካል እዩ።] እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ስልጣን ብዘለውን ብዝነበሩን ላዕለዎት ኣባላት ባይቶን መዘኑኦምን፡ ከምኡ'ውን ብላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ሰብ-መዚ መንግስታት ምትእኽኻብ ሃገራት ሓባራዊ ሃብቲ [ኮመንወልዝ]  ከምኡ'ውን ብከንቲባ ለንደን ዝቘመ እዩ። ኣብቲ ጽንብል ልዕሊ 700 ሰባት ክሳተፉ ዝግባእ'ኳ እንተኾነ ምስ ሕጽረት ግዜ እቲ ልክዕ ቍጽሪ ክውሕድ ይኽእል እዩ። ብ1952 ኣብ ዝተገብረ ጸምበልቲ ሽማግለ ወራስ-ዝፋን ኣስታት 200 ሰባት ጥራሕ እዮም ተሳቲፎም ነይሮም። ብልምዲ እቲ ንጉስ ኣብቲ ጽምብል ክሳተፍ ግድን ኣይኮነን። ኣብቲ ዝግበር ኣኼባ፡ ሞት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ብእዋናዊ ፕረዚደንት ባይቶ ብሎርድ ፔኒይ ሞርዳውንት ኣባል ካቢኔ (ኤም-ፒ) ክንገር እዩ፤ እቲ ኣዋጅ እውን ክንበብ እዩ። ቃላት ናይቲ ኣዋጅ ክለዋወጥ ይኽእል እዩ፤ ትሕዝቶኡ ግን ብልምዲ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ንጉስ ዝንእድን ነቲ ሓድሽ ንጉስ ድማ ዝድግፍን ኰይኑ ብጸሎትን መብጽዓን እዩ ዝስነ። ብድሕሪ'ዚ፡ እቲ ኣዋጅ ብኸም ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሊዛ ትሩስ፡ ሊቀ ጳጳሳት ካንተርበሪን ሎርድ ቻንስለርን ዝኣመሰሉ ብዙሓት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ይፍረም። ኵሉ ስነ-ስርዓት ጽምብላት፡ ከም ምልክት ሓድሽ መዋእል ተቘጺሩ ብዝያዳ ኣብ ዝውሰኽ ወይ ዝሕደስ ነገራት ኣቓልቦ ይገብር። ሽማግለ ጸምበልቲ ደፋእ-ዘውዲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ ዝእከብ፣ ሽዑ ከኣ እቲ ንጉስ ምስ ፕሪቪይ ባይቶ ሓቢሩ ይእከብ ። ኣብ መጀመርታ ንግስነት ብሪጣንያ፡ ከም ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዝኣመሰሉ ስርዓታት ዝገብርዎ 'ቃለ ማሕላ’ ኣይገብሩን እዮም ነይሮም። ይዅን እምበር፡ እቲ ሓድሽ ንጉስ ምስቲ ኣብ መጀመርታ መበል 18 ክፍለ-ዘመን ዝነበረ ልምዲ ብምስምማዕ፡ ንቤተ ክርስትያን ስኮትላንድ ንምዕቃብ ቃለ ማሓላ ክፍጽም እዩ ። መለኸት ምስተነፍሐ፡ ቻርለስ ካብ ገበላ\/ (ባልኮኒ) ቤተ-መንግስቲ ሰይንት ጀምስ ሓድሽ ንጉስ ምዃኑ ንህዝቢ ክእውጅ እዩ። \"ኦ ኣምላኽ ንንጉስ ሓልዎ\" ኢሉ ከኣ ክጽውዕ እዩ። ድሕሪ 1952 ከኣ ንመጀመርታ ግዜ ሃገራዊ መዝሙር \"ኦ ኣምላኽ ንንጉስ ሓልዎ\" ክበሃል እዩ ። ኣብ ለንደን ግምቢ ዘብዐኛ ሃይድፓርክ፡ ከምኡ'ውን ኣብ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ናይ ክብሪ ተዅሲ ክትኮስ እዩ። ቻርለስ ንጉስ ምዃኑ ዝገልጽ ኣዋጅ ድማ ኣብ ኤዲንብራ፡ ካርዲፍን ቤልፋስትን ክንበብ እዩ። ዝለዓለ ዕማም ሽማግለ ጸምበልቲ፡ ወራስ-ዝፋን ንጉስ ቻርለስ ብወግዒ ዘውዲ ከምዝደፍእ ምግባር እዩ። ይዅን እምበር ምድፋእ ዘውዲ ቀልጢፉ ዝትግበር ፍጻመ ኣይኰነን። ንግስቲ ኤልሳቤጥ ንኣብነት፡ ኣብ ለካቲት 1952፡ ናብ ዝፋን ደይባ ከተብቅዕ፡ ክሳዕ ሰነ 1953 ኣኽሊል ኣይደፍአትን ነይራ። ንዝሓለፈ 900 ዓመት ምድፋእ ዘውዲ ንግስነት ኣብ ዌስት ሚኒስተር ዓቢ እዩ ክግበር ጸኒሑ። እቲ ፈላሚ ኣኽሊል ንጉስ ዝደፍአ 'ዊልያም ዘ ኮንከረር' ክኸውን እንከሎ፡ ሕጂ ቻርለስ መበል 40 ዘውዲ ዝደፍእ ዘሎ ንጉስ ክኸውን እዩ ። ሊቀ ጳጳሳት ካንተርበሪ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ኣንግሊካን እዩ ዝህብ። እቲ ጽምብል ኣብ ዝዛዘመሉ እዋን ከኣ፡ ነቲ ኣብ 1661 ዝተሰርሐ ኣኽሊል ወርቂ ቅዱስ ኤድዋርድ ኣብ ርእሲ ቻርለስ ከንብሮ እዩ። እዚ እቲ ኣብ ግምቢ ለንደን\/ ለንደን ታወር ዝፍጸም ቀንዲ ጽምብል ስልማት ዘውዲ እዩ። እቲ ዘውዲ፡ 2.23 ኪ\/ግ ክብደት ስለዘለዎ እቲ ንጉስ ኣብቲ ጽምብል ጥራይ እዩ ዝገብሮ። ዘይከም መርዓ ንጉሳዊ ቤተሰብ፡ ጽምብል ምድፋእ ዘውዲ ብመንግስቲ እዩ ዝግበር። ንወጻኢታቱ ዝምልከት እውን መንግስቲ እዩ ዝሽፍኖ። ዝርዝር ናይቶም ኣጋይሽ ከኣ መንግስቲ እዩ ዝውስኖ። ኣብቲ ጽምብል እቲ ሓዲሽ ንጉስ ብባህላዊ ልምዲ፡ ብዘይቲ ኣራንሺ፡ ቃርፋ፡ ሙስክን ኣምበርግስን ክቕባእ እዩ። ሙዚቃን ናይ ምስጋና ንባብን እውን ክህሉ እዩ። እቲ ዘውዲ ዝደፍእ ሓድሽ ንጉስ ኣብ ቅድሚ ዓለም ክምሕል እዩ። ኣብዚ ሰፊሕ ጽምብል፡ ኣኽሊልን በትረ ንግስነትን ከም ምልክት ሓዲሽ ሓላፍነቱን ተራኡን ክቕበል እዩ። ሊቀ-ጳጳሳት ካንተርበሪ ከኣ ነቲ ድሙቕ ዘውዲ ወርቂ ኣብ ርእሱ ከንብርዎ እዮም። ቻርለስ ሓላፊ ሃገራት ሓባራዊ ሃብቲ (ኮመንወልዝ) ክኸውን እዩ። ማሕበር ሓባራዊ ሃብቲ ናይ 56 ናጻ ሃገራትን ናይ ኣስታት 2.4 ቢልዮን ህዝብን ምትእኽኻብ እዩ። ካብአን ኣብዘን 14 ሃገራትን ዓባይ ብሪጣንያን እቲ ንጉስ፡ ርእሰ-ምምሕዳር እተን ሃገራት ክኸውን እዩ። እዘን ብሓባራዊ ሃብቲ ዝፍለጣ ሃገራት፡ ኣውስትራልያ፡ ኣንቲጓን ባርቡዳን፡ ባሃማስ፡ በሊዝ፡ ካናዳ፡ ግሪንዳድ፡ ጃማይካ፡ ፓፕዋ ኒው ጊኒ፡ ሴንት ክሪስቶፈርን ነቪስን፡ ሴንት ሉቺያ፡ ሴንት ቢንሰንትን ግሬናዲንስ፡ ኒውዝላንድ ደሴታት ሰሎሞን፡ ቱቫሉ እየን።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw9d32q3d89o"} {"headline":"ንጉስ ቻርለስ ንዘበነ መግዛእቲ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣሞጊሱ","content":"ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ፡ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ሴንት ጄምስ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ሹመት ንጉስ ምዃኑ ምእዋጁ ስዒቡ፡ ናይ ንግስቲ ኤልሳቤጥ “መወዳድርቲ ኣልቦ መግዛእቲ” ኣሞጊሱ። ንጉስ ቻርለስ ወላዲቱ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ምስ ዓረፋ ዋላ’ኳ ንግስንኡ እንተተፈለጠ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም 10 መስከረም 2022 ኣብ ዝነበረ ናይ ሹመት በዓል እዩ ብወግዒ ንጉስ ተባሂሉ። ኣብቲ ዝሓለፈ ሓሙስ ዝዓረፋ ዳግማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ስነ-ስርዓት ቀብረን 19 መስከረም 2022 እዩ ክፍፀም፤ እዛ መዓልቲ ሃገራዊ በዓል ክትኸውን ድማ ተወሲኑ’ዩ። ንምትኽኻእ ስልጣን ስድራ ንጉሳውያን ቤተሰብ ዝከታተል ባይቶ ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ ንሞት ወላዲቱ “ዘይሓዊ ሓዘን” ኢልዎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ንሓዳሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ዓባይ ብሪጣንያ ሓዊሱ ላዕለዎት ኣባላት ባይቶ ኮመን ሃውስ ንሓድሽ ንጉስ ቻርለስ ዘለዎም ተኣማንነት ብቃለ-መሓላ ገሊፆም። ንጉስ ቻርለስ ኣብቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ ቤተ-መንግስቲ ቅዱስ ጄምስ ዝገበሮ መደረ፡ “ብዙሓት ንኣሓተይን ኣሕዋተይን ሓልዮትም ምግላፆምን ልዑል ፍቕሮም ምርኣዮምን ንዓይ ዓብይ ደበስ እዩ። ንሙሉእ ስድራና እውን ሓገዝን ፍቕርን ክግበረሎም ይግባእ” ኢሉ። ብተወሳኺ፡ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ንርእሰን ንኣገልግሎት ምሃበን ኣመልኪቲ እንትዛረብ ድማ፡ “ናይ ኣደይ ዘበነ መግዛእቲ፡ ብዕምሩ፣ ብተወፋይነቱን ፅንዓቱን ተወዳዳሪ ኣልቦ እዩ” ኢሉ። “ኣብ ሓዘን ኰይንና’ውን ነዚ እሙን ህይወት ነመስግን” ብምባል መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ። እቲ ንጉስ ወሲኹ ኣሰር እተን ዝለዓለ ስልጣን ተሸኪመን ዝነበራ ወላዲቱ ዝገደፋሉ ዘተባብዕ ኣብነት ንምስዓብ ከም ዝፅዕር ገሊፁ። ንግስና ቻርለስ፡ ኣብቲ ፖለቲከኛታት፣ ዳያኑን ሰብመዚን ዘካተተ ባይቶ ኣክሰሺን ክእወጅ እንከሎ እቲ ንጉስ ኣብ ፈላማይ ክፋል እቲ ኣኼባ ኣይነበረን። ፀሓፊ ባይቶ ፕራይቪ (ባይቶ ንግስቲ ኤልሳቤጥ) ሪቻርድ ቲልብሩክ፡ ንቻርለስ “ንጉስ፡ ዋና ሓላፊ ኮመን ዎልዝ፣ሓላዊ እምነት” ብምባል ምስ ገለፆ፡ “ኣምላኽ ነዚ ንጉስ ይሓልው” ኢሉ። ኣብዚ ጉባኤ እዚ፡ ሽድሽተ ነባራት ቀዳሞት ሚኒስትራት ዓባይ ብሪጣንያ ዝተረኸቦ ኮይኖም፡ ነዚ ሓረግ እዚ ደጊሞም ተዛሪቦም። ብድሕሪኡ እቲ ኣዋጅ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ጄምስ ኣብ ልዕሊ ቤት-ፍርዲ ፍሪሪ ኣብ ዝርከብ ሰገነት ተኒቢቡ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cx0g9x18dx1o"} {"headline":"ደቂ ኣንስትዮ 'ሜክ ኣፕ' ከይጥቀማ እተተባብዕ ወይዘሪት ዓዲ ኢንግሊዝ","content":"መሊሳ ራዉፍ፡ ሜክ ኣፕ ብዘይ ምግባር ኣብ ውድድር ጽባቐ ተሳቲፋ፡ ሚስ ኢንግላንድ ንምዃን በቒዓ። ንሳ ደቂ ኣንስትዮ ሜክ ኣፕ ኣንተይገበራ ብተፈጥሮኣዊ ቆርበተን ጽቡቓት ከምዝኾና ክተተባብዕ እያ እትደሊ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cpey41w408vo"} {"headline":"ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኬንያ ኢድ ከምዘይብላ ኣፍሊጣ","content":"ኣምባሳደር ዓባይ ብሪጣንያ: ጄን ማሪዮት፡ ንሳን ሃገራን ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተዛዘመ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኬንያ ኢዶም ኣእትዮም ዝብል ክሲ ነጺጋቶ። ሚስ ማሪዮት፡ ድሕሪ እቲ ኣካታዒ መረጻ ንምክትል ፕረዚደንት፡ ዊልያም ሩቶ፡  ዕውት ፕረዚደንት ኮይኑ ንኽእውጅ፡ ንሃገራዊ ኮሚሽን መረጻ ጸቕጢ ከምዝገበረት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክቃላሕ ቀንዩ። ገለ ተጠቀምቲ፡ ንሳ ምስ ሚስተር ሩቶን ኣቦ መንበር ኮሚሽን መረጻ፡ ፉላ ቸቡካቲን፡ ኢዳ ክትጭብጥ ከላ ዘርኢ ዘይተረጋገጸ ስእልታት ኣካፊሎም። ሚስ ማሪዮት ኣብ ትዊተራ፡ ዓባይ ብሪጣንያ \"ኣብ መረጻ ኬነያ፡ ንዝኾነ ሕጹይ ወይ ሰልፍታት ኣይትድግፍን ወይ ርእይቶ የብላን\" ብምባል፡ ነቲ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ “ስነዕ\" ኢላቶ። “ኬንያውያ ንመን ይመርጹ፡ ንህዝቢ ኬንያ ዝምልከት ጉዳይ እዩ። ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ኬንያ ዘለዋ መደባትን ምሕዝነትን ብዝምለከት ግና፡ ምስ ነጻ ትካላት ሓዊሱ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት ምስ ዝመጹ ሰባት ተራኺብና ንዝቲ ኢና” ኢላ። ሚስ ማሪዮት፡ ኬንያ ኣገዳሲት መሻርኽቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኮይና ክትቅጽል ምዃና ብምግላጽ፡ ብሪጣንያ ብህዝቢ ንዝተመርጹ መራሕቲ ክትድግፍ ድልውቲ ምዃና ሓቢራ። ኣብ'ቲ ኣካታዓይ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣይተዓወተን ዝተብሃለ፡ ራይላ ኦዲንጋ፡ ስማ ዘይተጠቕሰት ሓንቲ ናይ ወጻኢ ሃገር፡ ኣብ ፖለቲካ ኬንያ ምትእትታው ክተቋጽ ትማሊ ሰኑይ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ። ራይላ ኦዲንጋ፡ ነቲ ውጽኢት መረጻ ብምንጻግ፡ ነቲ ዊልያም ሩቶ ተዓዊትሉ ዝተበሃለ መረጻ ብሕጊ ንምብዳህ፡ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ሰነዳት ኣደጊፉ ትማሊ ኣቤቱታ ኣቕሪቡ ኣሎ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cldedw1n0qdo"} {"headline":"ብሪጣንያ፡ ግዳያት ዝተበከለ ደም ነፍሲወከፎም 100 ሽሕ ፓውንድ ክከሓሱ እዮም","content":"ልዕሊ 4,000 ዝተበከለ ደም ተዋሂብዎም ንዝፈላለዩ ሕማማት ዝተቓልዑ ብሪጣንያውያን፡ ንግዚኡ ነፍሲወከፎም ናይ 100 ሽሕ ፓውንድ ካሕሳ ክወሃቦም ከምዝተወሰነ መንግስቲ ኣፍሊጡ፡፡ እቲ ካሕሳ ነቶም ብከም ሄፓታይተስን ኤችኣይቭን ዝበሉ ብደም ዝመሓላለፉ ሕማማት ጥዕነኦም ዝተጎደአን ከምኡ እውን ነቶም ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ሕክምናዊ ጉድለት  መጻምዶም ዝሰኣኑን ዝወሃብ እዩ፡፡ እቲ ክፍሊት ድሕሪ ንዓሰርተታ ዓመታት ዝተኻየደ ጎስጓስ እዩ ንፈለማ እዋን ክኽፈል ተወሲኑ ዘሎ፡፡ እቶም ስድራቤታት ነቲ ውሳነ እኳ እንተተቐበልዎ፡ ብዙሓት ደቆም ዝሞቱዎም ወለዲ ግና ነቲ ዕድል ከምዘይረኽብዎ ገሊጾም። እቲ ካሕሳ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ዝወሃብ ኮይኑ፡ ኣብ ስኮትላንድ፣ ዌልስን ሰሜን ኣየርላንድን ንዝነብሩ ግዳያት እውን ክኽፈሎም እዩ፡፡ ኣብዚ እዋን ግዳያትን ስድርኦም ገንዘባዊ ሓገዝ ዝግበረሎም ኮይኑ መንግስቲ፡ እቶም ግዳያት ክሳብ ሎሚ ንዝሰኣንዎን ኣብ ህይወቶም ንዝኸሰሩዎን ካሕሳ ንምኽፋል ክሰማማዕ ግን ንፈለማ እዋን እዩ፡፡ እቲ ዝወሃብ ካሕሳ ካብ ቀረጽ ነጻን ነቲ ክወሃቦም ዝጸንሐ ሓገዝ እውን ዘየጉድልን ከምዝኾነ መንግስቲ ገሊጹ ኣሎ፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ብወገኑ ‘‘ነቲ በቲ ዘይፍትሓዊ ነገር ኣብ ልዕሊ ግዳያት ዝበጸሐ ጉድኣትን ስቓይን ክመልስ ዝኽእል ነገር እኳ እንተዘይሃለወ፡ ንግዳያትን መጻምድቶም ንዝሰኣኑን ንምሕጋዝ ስጉምቲ ንወስድ ኣለና’’ ኢሉ፡፡ እቲ ዝተበከለ ደም ንሕሙማት ብምሃብ ዝተፈጸመ ነውሪ ኣብ ታሪኽ ኣገልግሎት ሃገራዊ ጥዕና ብሪጣንያ (ኤን ኤች ኤስ) ዝቲ ዝኸፈአ ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ፡፡ ካብ 1970ታት ጀሚሩ ሄሞፊልያን ካልኦት ሕማማት ደምን ንዘለዎም ሰባት ብዝተውሃበ 'ፋክተር 8' ዝተባህለ  ሓድሽ ሕክምና ብዙሓት ንዝገደደ ሕማም ተቓሊዖም እዮም። ኣብቲ እዋን እቲ መድሃኒት ካብ ኣመሪካ ዝመጸ ኮይኑ፡ ካብ እሱራት ዝርከቡዎም ዝተኸፈሎም ሰባት ዝተኣከበ ደም ዝተዳለወ እዩ ነይሩ፡፡ በዚ መሰረት ሓደ ለጋሳይ ደም'ውን ይኹን ብኤችኣይቪ ወይ ሄፓታይተስ ዝኣመሰሉ ብደም ዝመሓላለፉ ሕማማት ዝተለኸፈ እንተኔሩ፡ ኣብቲ ዙር ዝፈረየ መድሃኒት ኩሉ ክብከል ይኽእል እዩ፡፡ ቁጽሮም ዘይተፈለጠ ብሪጣንያውያን ሕሙማት እውን ኣብ እዋን ወሊድን ድሕሪ መጥባሕትን ብዘተገበረሎም ናይ ደም ምምሕልላፍ ንሕማማት ሄፓታይተስ ቢ ን ሲ ን ተቓሊዖም እዮም፡፡ ኣብ 1970ታትን 80ታትን  ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ ዝተሓከሙ ብውሑድ 2,400 ሰባት ብኤችኣይቪ ወይ ሄፓታይተስ ቢ ሞይቶም እዮም፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተሓተመ ዘይሻራዊ መጽናዕቲ፡ ግዳያት ንዝበጸሖም ኣካላውን ስነ ልቦናውን ጉድኣት ካሕሳ ክኽፈሎም ከምዝግባእ ዘመልከተ ኮይኑ፡ መጻምዲ፣ ደቂ፣ ኣሕዋትን ወለድን ግዳያት ካሕሳ ክወሃቦም ሓሳብ ኣቕሪቡ፡፡ መንግስቲ ንምኽረ ሓሳብ እቲ መጽናዕቲ እንተተቐቢሉ ብጠቕላላ ዝወሃብ ካሕሳ ካብ ሓደ ቢልዮን ፓውንድ ንላዕሊ ክበጽሕ ከምዝኽእል ይግመት፡፡","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c9752gdyx3po"} {"headline":"ኣብ ብሪጣንያ ዋጋ ጸዓት ኣዝዩ ይንህር ምህላው ተገሊጹ","content":"ዝመጽእ ዓርቢ ሓድሽ ዋጋ ጸዓት ብሪጣንያ ምስ ተነግረ፡ ስድራቤታት እታ ሃገር ወርሓውን ዓመታውን ወጻኢታተን ክፈልጣ እየን። ሓደ ተንታኒ ኮርንዎል ኢንሳይት ዝተባህለ ትካል ኣብ ዝመጽእ ጥሪ፡ ወጻኢታት ሓንቲ ስድራ-ቤት ዓዲ ኢንግሊዝ £4,650 ፓውንድ ክበጽሕ ከምዝኽእል ሓቢሩ። ነቶም ዝለዓለ ጠለብ ጸዓት ኣብ ዝድለየሉ እዋን ውሑድ ጸዓት ዝጥቀሙ ስድራ ቤታት፡ ዝጎደለ ስልዒት ከምዝስልዓሎም ናይ ምግባር ትልሚ'ውን ኣብ ቀረባ ግዜ ክግለጽ እዩ። ዋጋ ጸዓት፡ ኦፍጋም ብዝተባህለ ንዋጋ ጸዓት ዝከታተልን ዝቈጻጸርን ትካል እዩ ዝውሰን። እቶም ገምጋም ዋጋ ጸዓት ዘቕርቡትካላት ከኣ ንነፍሲ ወከፍ ሃልኪ ጸዓት [ናይ መጐጐ፡ ፍርጅ፡ ፌሮ፡ መውዓይ ማይ፡ መሞቚ ገዛ ወዘተ] ዝምልከት ሃልኪ ዋጋ ይትምኑ። ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ  ዋጋ ጸዓት ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ናህሪ ብ54%  ዓብዩ። እዚ ማለት ከኣ ሓደ ስድራ ቤትንዓመት £1,971 ፓውንድ እናኸፈለ  ልሙድ መጠን ጋዝን ኤሌክትሪክን ይጥቀም ማለት እዩ። እታ ስድራ እንተደኣ ዝያዳ ጸዓት ተጠቒማ ገንዘብ ይውስኽ፣ እንተደኣ ካብቲ ልሙድ ዝወሓደ ተጠቒማ ከኣ እቲ ዝኽፈል ይውሕድ። ኦፍጋም ኣብ  ነብሲ ወከፍ ሰሰለስተ ወርሒ እቶም ጸዓት ዘፍርዩ ትካላት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ስኮትላንድን ዌልስን ገለ ክፋል ኣየርላንድን ክንደይ የኽፍላ ከምዘላዋ ብምቁጽጻር እቲ ዋጋታት ከምዝመዓራረ ይገብር። እቲ ኣብ ሰሜናዊ ኣየርላንድ ዘሎ ዋጋታት ጸዓት ግን ብኻልእ ስርዓት ምጣነ ዋጋ እዩ ዝትመንን ዝመሓደርን። ግን ዝኸበረ ምዃኑ እዩ ዝግመት። ኣብ ወርሒ ጥሪ 2023 ከኣ ዋጋ ጸዓት ክውስኽ እዩ ይበሃል ስለዘሎ፡ እቲ ዓመታዊ ወጻኢ ካብ £3,554  ናብ £4,650ፓውንድንኽውስኽ ትጽቢት ይግበር። ኣብዚ እዋን እዚ ሓንቲ ስድራ ወርሓዊ ናይ ጋዝን ኤለክትሪክን ወጻኢኣ £164 ፓውንድ እዩ ጸኒሑ። ድሕሪ እቲ ወሰኽግንንወርሒ £388 ፓውንድ ክኸውን እዩ። እዚ ንመላእ ሰድራ ቤታት ብሪጣንያ ኣጨኒቑ ዘሎ መጠን ወሰኽ ጸዓት ኣብ መነባብሮ እቲ ሕብረተሰብ ከቢድ ጸቕጢክፈጥርስለዝኽእል፡ “ኦፍጋም፡ ስድራቤታት ነቲ ኣብ መጻኢ ዝኽሰት ዘይተርፍ ወሰኽ ዋጋ ጸዓት ልዑል ጥንቃቐ ክገብራ ኣለወን” ክብል ተማሕጺኑ ኣሎ። ካብዝን ካልእን ብዝብገስ ኣብ ዝመጽእ ዓመት መጠን ዝቕባበ ዓባይ ብሪጣንያ 18% ክበጽሕ ከምዝኽእል ክኢላታትቁጠባ የጠንቅቚ። ስለዝዀነ ነፍሲ ወከፍ ስድራ-ቤት ኣብ ኣጠቓቕማ ጸዓት ልዑል ጥንቃቐ ከተካይድን፡ ኣብ ህይወታ ብዙሕ ጽልዋዘይብሎም ከም መንቀጺ ክዳን ዝኣመሰሉ ተወሳኺ ጸዓት ዘህልኹ መሳርሒታት ካብ ምጥቃም ክቑጠቡ የተሓሳስብ። ድሕሪ እቲ ብለበዳ ኮቪድ ዘጋጠመ ዕጽዋታት ዋጋ ጸዓት ብቕልጡፍ ክውስኽ ከምዝጀመረ ዝሕብሩ ክኢላታት እቲ ኣብ ቀረብንዋጋ ነዳድን ከቢድ ጸቕጢ ፈጢሩ ዘሎ ግን ኲናት ዩክረይን ምዃኑ ይፍለጥ። ዋጋ ነዳዲ ንቑጠባዊ ዓቕሚ ብዙሓት ስድራታት ክፈታትኖም እዩ። ኤ-ኤን ዝተባህለ ትካል ጸዓት ብሪጣንያ ከምዝሕብሮ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ሓንቲ ካብ ሸሞንተ ስድራ-ቤታት ወጻኢታተን ንምኽፋል ይጽገማ ኣለዋ። ኣብ ዝመጽእጥቅምቲ ከኣ እቲ ኣሃዝ ናብ 40% ክዓቢ ይኽእል እዩ። ትካል ጥዕና ብሪጣንያ ኤን-ኤች-ኤስ ኣብ ወቕቲ ዛሕሊ ኤውሮጳ ብፍላይ እቶም ሕክምናዊ ደገፍ ዘድልዮም ዕድመዝደፍኡ ሰባት ቍጽሮም እናወሰኸ ከምዝኸይድ ይሕብር። መንግስቲ ናህሪ ዋጋ ጸዓት ንምቍጽጻር ተወሳኺ ስጕምቲእንተ ዘይወሲዱ ጥዕና ብዙሓት ሰባት እናገደደ ክኸይድ ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ኣሎ። ኮንፈደረሽን ኤን-ኤች-ኤስ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሓት ሰባት ገዛኦም ንኸምቑ ምሳሕ ወይ ድራር ክዘሉ ወይ ከኣ ኣብቁርን ቀዝሕን ራህድን ክነብሩ ይግደዱ ከምዘለው ይሕብር። ነብሲ ወከፍ ስድራ ቤት ብሪጣንያ፡ ዋጋ ጸዓት ካብ ዝጅምረሉ ጥቅምቲ፡ ንዓመት £400 ፓውንድ ናይ ጸዓት ደገፍ ክወሃበን እዩ።ነቶም ኣዝዩ ትሑት እቶት ዘለዎምን ተጠወርቲ መንግስቲ ዝኾኑ ብመልዕሎ ዝናበሩ ልዕሊ ሸሞንተ ሚልዮን ዝዀኑስድራቤታት ዓመታዊ ክሳብ £600 ፓውንድ ንወጻኢታት ጸዓት ዝውዕል ደገፍ ክግብረሎም እዩ። ንጥሮተኛታት ስድራ ቤት ተወሳኺ £300  ፓውንድ፣ ንኣካለ ስንኩላን ከኣ  £150 ዝያዳ ገንዘብ ክወሃቦም እዩ። እቶም ፈጺሞም ወጻኢታት ጸዓት ንምኽፋል ዝጽገሙ ስድራቤታት ከኣ ንወጻኢታት ጸዓት ብዝሕግዝ ትካላት ኣቢሎምጸገሞም ከቕርቡን እተን ትካላት ዝኽእልኦ ዘበለ ምኽርን ሓገዝን ክህባኦም ይኽእላ። እቶም ዕዳኦም ክኸፍሉ ዝጽገሙ ከኣ እተን ትካላት ናይ ኣከፋፋል መደብ ክሰርዓሎም ይኽእላ። እዚ ማለት [ሓደ ሽሕ ዕዳዘለዎም ሰባት ኣብ ክንዲ ብሓንሳብ ክኸፍልዎ ዝሕተቱ ከከም ዓቕሞምን እቶቶምን ኣብ ወርሒ በብ80 ወይ 90 እናገበሩንክኸፍሉ ይሕገዙ።] ከምኡ’ውን ጽጒማት ስድራቤታት ብቤትጽሕፈት ማዕከን ደገፍ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም። ፈጺሞም ክኸፍሉ እንተዘይክኢሎም ወይ እንተ ዘይተሰማሚዖም ግን፡ እተን ጸዓት ዘቕርባ ትካላት ኣገልግሎት ክድርታኦምንክቘርጻሎም’ውን ከምዝኽእላ እዚ ዝወሃብ ዘሎ ሓበሬታ የረድእ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c80d01py3nyo"} {"headline":"ናብ ሓደ መንበሪ ገዛ ንምእታው ዝፈተነ ልዕሊ 5 ሜትር ዝንውሓቱ ገበል ስንባደ ፈጢሩ","content":"ኣብ ብሪጣንያ ሓደ 5.5 ሜትር ዝንውሓቱ ገበል ብመስኮት ናብ ሓደ መንበሪ ገዛ ክኣቱ ድሕሪ ምፍታኑ ኣብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ስንባደ ከም ዝፈጠረ ተገሊጹ። ነበርቲ ናይታ ቻንድለርስ ፎርድ ዝተባህለት ንእሽቶ ዓዲ፡ ገዚፍ ገበል ሓደ ደርቢ ኣብ ዘለዎ ገዛ ብላዕለዋይ መስኮት ክኣቱ እናፈተነ እንከሎ እዮም ርእዮም። እቲ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝርከብ ገዛ ሞሊቑ ከም ዝወጽአ ዝተገለጸ ገበል በርሚዝ ካብ ዝበሃል ዓሌት ኰይኑ፡ ናብ ካልእ ገዛ እዩ ንምእታው ዝፍትን ኔሩ። ጀኒ ዋርዊክ ዝተባህለት ነባሪት እቲ ከባቢ ሰዓት 5፡15 ወጋሕታ ብመስኮት ቁሊሕ ምስ በለት ኣብ ናሕሲ ጎረቤታ ነቲ ቢጫ ዝሕብሩ ገዚፍ ገበል ከም ዝረኣየቶ ተዛሪባ። \"ከም ዝወጽእ ንምግባር ይትንኵይዎ ነይሮም፣ ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ መኪናኦም ወዲቑ። \"በቲ መገዲ ዝሓልፉ ዝነበሩ ሰባት፡ ነቲ ዝርእይዎ ዝነበሩ ክኣምኑዎ ኣይከኣሉን\" ኢላ። ሊንዳ ኤልመር ዝተባህለት ነባሪት እቲ ከባቢ፡ ነቲ ገበል ብምልላይ ናብ ዋንኡ ክተብጽሖ እንከላ፡ ከባቢ ሰዓት 7፡00 ቅ.ቀ ሓደ ጎረቤታ ማዕጾ ገም ገም ኣቢሉ ከም ዘተንስኣ ተዛሪባ። \"ኩሉ ሰብ ርዒዱ እዩ ኔሩ። ኣነ ሓፍ ኣቢለዮ፡ ዝዀነ ሰብ ክሕግዘኒ ፍቓደኛ ኣይነበረን። ኣዝዩ ገዚፍ ብምዃኑ ኣጸጋሚ እዩ ኔሩ። እቲ 18 ጫማ ዝቑመቱ ገበል ተጥምጢሙኒ ደርገፍገፍ እናበልኩ ናብ ኣፍደገ እቲ ዋንኡ በጺሐ ኳሕ ኳሕ ኣቢለ። \"ኣዝዩ መልክዐኛ እዩ፡ እዚ ዓሌት ተመን ኣዝዩ ልኡም እዩ። እዚኦም ተጓዳእቲ ኣይኰኑን፤ ኣነ ንባዕለይ'ውን ሓደ ኔሩኒ። ስለዚ ክሕዞ ኣይሰጋእኩን፡\" ኢላ። ኣብ ልዕሊ እንስሳታት ንዝፍጸም ጭካነ ዝከላኸል ማሕበር ኣቐዲሙ ኣብ ዝዘርግሖ መጠንቀቕታ፡ ኣትማን ኣብ እዋን ብርቱዕ ሙቐት ኣዝዮም ንጡፋት ስለ ዝዀኑን ክሃድሙ ስለ ዝኽእሉን መቐመጢኦም ውሑስ ክኸውን ከም ዘለዎን ኣፍሊጡ ኔሩ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1djmv3r4wo"} {"headline":"እቲ መርዛም ጀርዲን","content":"ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ ‘ዘ ፖይዝን ጋርደን’ [እቲ መርዛም] ዝበሃል ጀርዲን ኣብ ኣፍደገኡ \"እዞም ኣትክልቲ ቀተልቲ እዮም\" ዝብል ጽሑፍ ኣለዎ። ብተወሳኺ እውን ከም መጠንቀቕታ ሓደጋ፡ ምልክት ኣዕጽምቲ ርእሲን ኣእዳውን እውን ኣብቲ መዓጾ ተለጢፎም ይርኣዩ፤ እቲ መጠንቀቕታ ግን ንዋዛ ኣይኰነን። እቲ መርዛም ጀርዲን፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ሰሜን ሃምበርላንድ ኣብ ውሽጢ ጀርዲን ኣልንዊክ እዩ ዝርከብ። እቲ ኣብ 2005 ዝተመስረተ ጀርዲን፡ ልዕሊ 100 መርዛማት፡ ኣስከርትን ዕጸፋርስን ዝሓዘ እዩ። እዚ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ጀራዲን እቲ ቐታሊ'ኳ እንተዀነ ንበጻሕቲ ግን ክፉት እዩ። እሞ መርዛማት ናብ ዝዀኑ ቀተልቲ ኣትክልቲ ናብ ዝርከብዎ ጀርዲን መን'ዩ ደፊሩ ዝኣቱ? \"በጻሕቲ ቅድሚ ምእታዎም፡ መብርሂታት ድሕነት ክወሃቦም ግድን እዩ፡\" ይብል ኣብቲ ጀርዲን መራሒ በጻሕቲ ኰይኑ ዝሰርሕ ዲን ስሚዝ። በጻሕቲ ዝዀነ ነገር ክትንክፉ፡ ክጥዕሙ ወይ ክሽትቱ ከምዘይፍቀደሎም መምርሒ ይወሃቦም እዩ። ይዅን እምበር ሓሓሊፉ፡ ኣብኡ ዝኣትው በጻሕቲ፡ ውነኦም ከምዝስሕቱ መርበብ ሓበሬታ እቲ ጀርዲን ይሕብር። ሓደ ካብቶም ኣብዚ ጀርዲን ዝለምዑ ሓደገኛታት ኣትክልቲ፡ ‘ሞንክሹድ’ እዩ። እዚ ተኽሊ፡ ኣኮኒቲን ዝበሃል መርዚን ኒውሮቶክሲን ዝበሃል ንኣሰራርሓ ስርዓተ መትኒ ዝጎድእ ንጥረ ነገራት ዝሓዘ እዩ። እዚ ግን እቲ ዝኸፍአ ኣይኰነን፣ \"ምናልባት ኣብዚ ብጭቡጥ ዝያዳ መርዛም [ነቲ ሪሲን ዝበሃል መርዚ ዝሓዘ] ተኽሊ ሪሲን እዩ\" ይብል ስሚዝ። \"መጽሓፍ ክብረወሰን ዓለም ጊነስ፡ ኣብ ዓለምና እቲ ኣዝዩ መርዛም ተኽሊ\" ክብል ኣስፊርዎ'ሎ። እቲ ዝገርም ግን፡ ኣብቲ ጀርዲን ዝበቝሉ ብዙሓት ኣትክልቲ ኣዝዩም ዝተለምዱ እዮም። \"ብዙሓት ካብቶም ኣብዚ ዘለዉ ዓይነታት ተኽሊ፡ ብርግጽ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ በረኻ ዝበቝሉ እዮም። እቲ ዘስግእ ድማ መብዛሕትኦም ንምልማዖም ቀለልቲ ምዃኖም እዩ፡\" ይብል ስሚዝ። ኣብዚ ከም ሮዶዴንድሮን ዝኣመሰሉ ህቡባት ናይ ገዛ ጀርዲን ቍጥቋጥ ከይተረፉ ይርከቡ። እዚኣቶም ኣቝጽልቲ ግራያኖቶክሲን ዝሓዙ ኰይኖም፡ እንተተበሊዖም ንስርዓተ መትኒ ዘጥቅዑ እዮም። \"ጣዕሙ ፍንፉን ስለ ዝዀነ ግን፡ ሰባት ነቲ ቈጽሊ ክበልዕዎ ተኽእሎ የለን \" ክብል ስሚዝ የረጋግእ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ካልኣይ ዝያዳ መርዛም ገረብ ላቡርኑም ዝበሃል'ውን ኣሎ። ጽቡቕ ብጫ ዕምባባ ስለዘለዎ ብዙሓት ሰባት ኣብ ከባቢ ገዛኦም ይተኽልዎ እዮም። እንተዀነ ሳይቲሲን ዝበሃል መርዚ ዝሓዘ እዩ። \"እቲ ገረብ ኣዝዩ መርዛም እዩ፡ ሓንቲ ናብ መሬት ወዲቓ ንሓያሎ ኣዋርሕ ኣብኡ ዝጸንሐት ጨንፈር ከልቢ እንተሒዝዋን፡ እቲ ከልቢ ኣይጸንሕን። ክሳብ ክንድኡ መርዛም እዩ\" ይብል ስሚዝ። መርዛማት ኣትክልቲ ግን መርዞም ናብ ሰብን ኣኽላባትን ጥራይ ኣይኮኑን ዘቕንዑ። ከምቲ ስሚዝ ዝገለጾ፡ እዅል ሮዶዴንድሮን ኣብ ጥቓ ነንሕድሕዶም እንተዓብዮም'ውን፡ ነቲ ሓመድ ክመርዝዎ ይኽእሉ እዮም። ኣብኡ ክዓብዩ ዝኽእሉ ነገራት ድማ ሮዶዴንድሮን ጥራይ ይዀኑ ኣለዉ ማለት እዩ። ኣናህብ ካብ ሮዶዴንድሮን ጥራይ መዓር እንተ ሰሪሖም ድማ፡ እቲ ፈሳሲ መዓር ቀይሕ ሕብሪ ይሕዝ፡ ብንእሽቶ መጠን ድማ ኣእምሮ ዝቕይር ባህርያት ይህልዎ። \"መጠኑ ብዝሕ እንተይሉ ግን ቀታሊ እዩ\" ክብል ስሚዝ የጠንቅቕ። ገለ ኣትክልቲ ንኽቐትሉኻ ክትብልዖም፡ ክትትንክፎም ወይ ክተሽትቶም ግድን ኣይኮነን። ኣብቲ ጀርዲን፡ ክትቆርጾ ከለኻ ጥራይ ክቐትለካ ዝኽእል ተኽሊ ኣሎ። ቆጽሊፕሩነስ ላውሮሴራሱስ ክልተ ባእታታት ዝሓዘ ኰይኑ፡ ብተናጸል ኣይጎድኡኻን እዮም። ሓደ እንስሳ ነቶም ኣቝጽልቲ ብሓባር እንተሓይኽዎም ግን ሳይናይድ ዝበሃል መርዚ ጋዝ የፍርዩ እዮም። ሄለቦረስ ካልእ ሓደገኛ ዝዀነ ተኽሊ እዩ። እቲ ሱር ንልብኻ ደው ዘብል ካርዲዮቶክሲን ኣለዎ፡ እቲ ጽማቝ ድማ ንቆርበትና ብብርቱዕ ዘቘጥዕ እዩ። ስለዚ ኵሉ ብዘይ ጓንቲ ክንትንክፎ ኣይግባእን። ነቲ ጓንት ክነውጽእ ከለና ድማ ብስንና ክንስሕቦ ከምዘይብልና ስሚዝ ይላቦ። እዚ እቶም ኣብዚ ጀርዲን ዝርከቡ ሰራሕተኛት ፈጺሞም ዘይፍትንዎ ነገር እዩ። ካብቶም ሰራሕተኛታት ሃንቲ ኤሚ ቶርፕ፡ \"ብዙሓት ካብዞም ኣትክልቲ፡ ቅድሚ ምምጻእና ኣብዚ ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ግምት ኣለኒ። ስለዚ፡ ብዛዕባ ኵሉ ኣጠቓቕማኦም ክንማሃር ናትና ዕማም'ዩ፣ ምኽንያቱ ብዙሓት ካብቶም ኣብዚ ዘለዉ ኣትክልቲ ንጽቡቕ ዕላማ ክውዕሉ ዝኽእሉ እዮም። ኵሎም ሕማቓት ኣይኰኑን\" ትብል። ገለ ካብቶም ኣብዚ ዘለዉ ቀተልቲ ኣትክልቲ፡ ከም ፈውሲ መንሽሮ ጡብ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኣፋውስ ንምፍራይ ዝሕግዙ እዮም። ስለዚ ብግቡእ እንተተሰሪሑሎም ምንጪ ጠቐምቲ መድሃኒታት ክዀኑ ይኽእሉ። ምናልባት እቲ ጀርዲን ኣካል መደብ ትምህርቲ ዕጸፋርስ ምዃኑ ዘገርም ኣይኰነን። ሓላፊት ማሕበረሰብን ትምህርትን ክሌር ሚቸል ከምትገልጾ፡ \"ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዓዲ እንግሊዝ፡ ካብ ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን እቲ ዝለዓለ ምስ ዕጸፋርስ ዝተኣሳሰር መጠን ሞት ዘጋጥመሉ ከባቢ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ካብቲ መርዛም ጀርዲን ዝተበገሰ መደብ ትምህርቲ ዕጸ-ፋርስ፡ ምስ ዕጸ-ፋርስ ዝተኣሳሰር ጕድኣት ንምክልኻል ዝዓለመ እዩ።\" ብርግጽ፡ እቲ ጀርዲን \"ሀሁ ዕጸ-ፋርስ\" ከምዘልምዕ ስሚዝ ይገልጽ። ንኣብነት ኦፒየም ፖፒስ፡ ካናቢስ ከምኡ'ውን ጫት ኣብዚ ጀርዲን ይፈርዩ እዮም። በጻሕቲ ግን ዝዀነ ዘይግባእ ሓሳብ ክሓስቡ የብሎምን። ተርኔንት ከም ዝገለጾ፡ እቶም ኣብ መርዛም ጀርዲን ዝርከቡ ሰራሕተኛታት፡ ብዛዕባ ኣትክልቶም ብጥንቃቐ ክከታተሉ፡ ክቈጻጸሩን ጸብጻብ ከቕርቡን ብሕጊ ዝተኣዘዙ እዮም። ድሕሪኡ ድማ ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ወቕቲ ነቶም ኣትክልቲ ከም ዘጥፍእዎም ዘረድእ መርትዖ ከቕርቡ ግድን እዩ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cj7epmrkkzro"} {"headline":"ብሪጣንያ ካብ ኣፍሪቃ ናይ እተእትዎም ኣቑሑት ቀረጽ ክትቅንስ እያ","content":"ብሪጣንያ ምስ ድኻ ሃገራት ዘለዋ ንግዳዊ ርክባት ንምሕያል፡ ካብተን ሃገራት ኣታዊ ኣብ እትገብሮም ኣማኢት ዓይነት ምህርትታት ዝጸንሐ ቀረጽ ከምእተጉድሎ ገሊጻ፡፡ እቲ ካብ መጀመርታ ናይ ዝመጽእ ሓድሽ ዓመት ፈረንጂ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን መደብ ምቕናስ ግብሪ፡ ካብ ምህርቲታት ምግቢ ክሳብ ዓለባ ዝሓውስ እዩ፡፡ ብመሰረት እቲ 'ትልሚ ግግዲ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት' ዝተሰመየ ውጥን፡ 99 ምኢታዊት ካብ ኣፍሪቃ ዝኣቱ ምህርቲ ካብ ቀረጽ ናጽ ክኸውን እዩ፡፡ ከም ክዳውንቲ፡ ጫማን ምግብን ዝኣመሰሉ ኣብ ብሪጣንያ ብበዝሒ ዘይፈርዩ ምህርትታት ኣብቲ መደብ ዝተጠቓለሉ ኮይኖም፡ 65 ሃገራት ተጠቀምቲ እቲ ዕድል ክኾና እየን፡፡ ክፍሊ ዓለምለኻዊ ንግዲ እታ ሃገር ከምዝሓበሮ፡ እቲ መደብ ኣካል ናይቲ ብሪጣንያ ኣብ ምዕባይ ሃብቲ፣ ምእላይ ድኽነትን ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘሎ ጽግዕተኝነት ምቕናስን እትገብሮ ምንቅስቓስ እዩ፡፡ እቲ መደብ ኣብ ከም ኩከምበር ዝኣመሰሉ ኣሕምልቲ ንዝነበረ ወቕታዊ ቀረጽ እውን ዘትርፍ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ምህርቲታት ብውሱን መልክዑ ኣብ መበቆል ዓዶም ክስርሑ ንዘገድድ ሕጊ እታ ሃገር  ክቃለል እዩ፡፡ ዳይሬክተር ጉጅለ ዓለባታት ባንግላድሽ ዲቢኤል መሓመድ ጃባር እቲ ብብሪጣንያ ዝተወሰደ ስጉምቲ ንትካሉ ዓብዪ ለውጢ ዘምጽእ ከምዝኾነ ይገልጽ፡፡ ‘‘እዚ እንጥቀመሉ ጡጥ ካብ ካልኦት ብዙሓት ሃገራት ክነምጽእ ዘኽእል እዩ፤ እዚ ድማ ትካልና ተወዳዳርን ስርዓት ኣቕርቦትና ድማ ድልዱል ክኸውን ዝገብርን እዩ’’ ኢሉ፡፡ ጸሓፊት ዓለም ለኻዊ ንግዲ ብሪጣንያ ኣን-ሜሪ ትረቨልያን ብወገና፡ ምንካይ ቀረጽ ንትካላት ንግዲ እታ ሃገር ዝድግፍን ንቑጠባ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃራት ዘደንፍዕን ከምዝኾነ ተዛሪባ፡፡","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cg65pwpgxpdo"} {"headline":"ብዘይ ሓገዝ በዓል ቤተይ ኣብዚ ኣይምበጻሕኩን' - ትንቢት","content":"ካብ ስደት ናብ ስደት ተሰጋጊሮም ናብ ብሪጣንያ ድሕሪ ምእታዎም ኣብ ከተማ ማንቸስተር ቤት ሕብስቲ ዝመስረቱ ትንቢትን ደሳለኝን። ‘ሄቨን ኢታልያን ካፈ’ ስፍሕ ዝበለ ራእይ ዘለዎ ኰይኑ፡ ንነበርቲ እታ ከተማ ብሓፈሻ ኣገልግሎት ንምሃብ ዝዓለመ’ዩ።","category":"ሕብረት እንግሊዝ\/ዓባይ ብሪጣንያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c728jjly8g5o"} {"headline":"መስርዕ ከይተጸበየ ናብ ሳንዱቕ ሬሳ ንግስቲ ተፀጊዑ ዝተባህለ ሰብ ተኸሲሱ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ንንግስቲ ንምስንባት ኣብ ዝነበረ መስርዕ ተርኡ ከይተጸበየ ናብቲ ሳንዱቕ ሬሳ ዝቐረበ ውልቀሰብ ተኸሲሱ። እቲ ወዲ 28 ዓመት ውልቀሰብ፡ ህዝባዊ መምርሒ ብምጥሓስ እዩ ተኸሲሱ ዘሎ። ኣብ ምብራቕ ለንደን ዝነብር መሓመድ ካን ፅባሕ ሶኑይ [19-09-2022] ኣብ ቤት ፍርዲ ዌስት ሚኒስተር ክቐርብ እዩ። መሓመድ ካን ብመሰረት ሕጊ ህዝባዊ መምርሒ ክሲ ከምዝቐረበሉ ፖሊስ ሜትሮፖሊታን ኣፍሊጡ። እቲ ውልቀሰብ ካብ ዝነበሮ መስርዕ ወጺኡ ናብ ሬሳ ንግስቲ ምስ ተፀግዐ እቲ ካብ ኣዳራሽ ዌስት ሚንስትር ዝመሓላለፍ ዝነበረ ቀጥታዊ ፈነወ ተቛሪጹ። ፖሊስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኣብ ምብራቕ ለንደን ዝነብር ወዲ 28 ዓመት መሓመድ ካን ትማሊ ቀዳም ትንኮያ፣ ጭንቀት ወይ ዝርብሽ ኩነታት ፈጢሩ ብዝብል ብመሰረት ሕጊ ህዝባዊ መመርሒ ተኸሲሱ’ሎ\" ኢሉ። መሓመድ ምስቲ ንግስቲ ንምስንባት ዘሎ ሰልፍን ሪጋን ብዝተኣሳሰር ገበን ፈፂሙ ተባሂሉ ዝተኸሰሰ ካልኣይ ሰብ ኮይኑ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ሓደ ወዲ 19 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ ቪክቶርያ ታወር ፓርክ ኣብ ዝነበረ ሪጋ ዕርቃን ነብሱ ተራእዩን ንሓዘንተኛታት ደፊኡን ብዝብል ከምዝተኸሰሰ ይዝከር። ኣዲዮ ኣዲሺኔ ክልተ ክስታት ጾታዊ ትንኮያ ዝቐረበሉ ኮይኑ፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ ናብ ቤት ፍርዲ ሳውዝዋርክ ክራውን ክቐርብ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። ቀብሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ሶኑይ 19 መስከረም 2022 ክሳብ ዝፍፀም ኣስከሬነን ኣብ ኣዳራሽ ሚኒስተር ምዕራብ ክጸንሕ እዩ።","category":"ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cgr0826j718o"} {"headline":"ኣስከሬን ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ካብ ባልሞራል ተሰናቢቱ","content":"ኣስከሬን ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ናብ ኤደንቦራ እንዳተጉዓዘ እንከሎ ኣሽሓት ሰባት ኣብ መገዲ ተሰሪዖም ብዓጀባ ኣሕሊፎሞ።","category":"ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c840p33eg1zo"} {"headline":"ጆ ባይደን ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ንግስቲ ንምስታፍ ለንደን ኣትዩ","content":"ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ጽባሕ ሰኑይ መስከረም ኣብ ዝፍጸም ስነ ስርዓት ቀብሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ንምስታፍ ናብ ለንደን ምእታዉ ተፈሊጡ። ባይደን ናብቲ ኣስታት 500 መራሕትን ተወከልትን ሃገራት ዝርከብሉ ስነ ስርዓት ቀብሪ ንምስታፍ’ዩ ናብ ለንደን ኣትዩ። ቀዳሞት ሚኒስትራት ሃገራት ካናዳ፣ ኣውስትራልያን ኒውዝላንድን’ውን ኣቐዲሞም ናብ ለንደን ምእታዎም ተፈሊጡ’ሎ። ወራሲ ዘውዲ ስዑዲ ዓረብ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ከምኡ’ውን ካልኦት ገለ ኣጋያሽ ምዕዳሞም ግርታ ፈጢሩ’ዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጀስቲን ትሩዶ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ኣንቶኒ ኣልባኔሴ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኒውዝላንድ ጃሲንዳ ኣርደር፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ባንግላድሽ ሰኽ ሓሰን ሃሲና፣ ፕረዚደንት ስሪላንካ ራኒል ዊክሪመሲንግን ካልኦት መራሕትን ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ እታ ንግስቲ ክርከቡ’ዮም ተባሂሉ ትጽቢት ካብ ዝተገበረሎም መራሕቲ ዓለም ገሊኦም’ዮም። ህንዲ ብፕረዚደንት ድሮፓዲ ሙርሙ ክትውከል’ያ። ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን፣ ኣይሪሻዊ ሚሼል ማርቲን ፕረዚደንት ፍራንክ ዋልተር ሽታይንማየር፣ ፕረዚደንት ጣልያን ሰርጅዮ ማታሬሌም’ውን ካብቶም ኣብ ስርዓተ ቀብሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ክርከቡ’ዮም ተባሂሎም ትጽቢት ዝተገብረሎም መራሕቲ ከምዝኾኑ ተፈሊጡ። ኣብ ምሉእ ኤውሮፓ ዝርከቡ ስድራ ንጉሳውያን’ውን ኣብቲ ስርዓተ ቀብሪ ክርከቡ’ዮም ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር። መብዛሕቲኦም ኣጋይሽ ኣብ ዌስት ሚኒስተር ተረኺቦም ነተን ንግስቲ መሰነይታ ዝገብሩ ኮይኖም፡ ኣብ ላንካስተር ሃውስ ድማ ዝተሰምዖም ሓዘን ብጽሑፍ ክገልጹ እዮም። ሎሚ መዓልቲ ቆላሕታ ዝተገብረሉ ኣብ ቤተ መንግስቲ ቤኪንግሃም ብንጉስ ቻርለስ ሳልሳዊ ዝግበር ኣቀባብላ ኣጋይሽ’ዩ። ብዙሓት መራሕቲ ብሓበራ ንኽራኸቡን ኣብ ዲፕሎማስያዊ ጉዳያት ንኽዝትዩን ጽቡቕ ዕድል ከምዝኾነ ድማ ተጠቒሱ። ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ እተን ንግስቲ ካብ ሞንጎ ዝተዓደሙ መራሕቲ ጉዳይ ወራሲ ዘውዲ መሓመድ ቢን ሳልማን ኣዘራራቢ ኮይኑ’ሎ። እቲ ወራሲ ዘውዲ ኣብ 2018 ኣብ ቱርኪ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቆንስላ ስዑዲ ዓረብ ናይ ዝተቐተለ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ንኽቕተል መምርሒ ከምዝሃበ’ዩ ዝኽሰስ። እንተኾነ ግን ንሱ ኮነ ዝመርሖ መንግስቲ ብዛዕባ ነቲ ጉዳይ ነጺጎሞ’ዮም። ሕጽይቲ ጋዜጠኛ ካውሾጊ ሃቲስ ጄንግዝ፡ ወራሲ ዘውዲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ስርዓተ ቀብሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ክርከብ ኣይነበሮን ኢላ። እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ እታ ንግስቲ ጸሊም በሰላ ዝገድፍ ምዃኑ ተዛሪባ። ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ቻይና ዝለዓል ነቐፌታ ሰብኣዊ መሰላት ስዒቡ ንፕረዚደንት ዢ ጂንፒንግ ዝተገብረ መጸዋዕታ’ውን ካልእ ግርታ ዝፈጠረ ውሳነ’ዩ። ዢ ጂንፒንግ ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣይክርከብን’ዩ። ምክትል ፕረዚደንት ቻይና ዋንግ ኪሻን ግን ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ከምርሕ ትፅቢት ኣሎ። ወከልቲ ሩስያ፣ ቤላሩስ፣ ሚያንማር፣ ሶርያ፣ ቬንዙዌላን ኣፍጋንስታንን ኣይተዓደሙን። ኢራን፣ ሰሜን ኮርያን ኒካራጓን ዝተዓደማ’ኳ እንተኾና ብኣምባሳደራት ደረጃ’የን ክውከላ።","category":"ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c88y1r33rgdo"} {"headline":"መደብ ስርዓተ ቐብሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት","content":"ኣብ ታሪኽ ብሪጣንያ፡ እቲ ዝነውሐ ንግስነት ዝተባህለሉ ዘመን፡ ብሞት እተን ንግስቲ ኣእኪሉ’ሎ። ንሰን፡ ኣብ ግንቢ ባልሞራል ስኮትላንድ፡ ብቤተሰበን ተኸቢበን እየን ብሰላም ዓሪፈን። ኣብ ዝቕጽሉ መዓልትታት፡ መላእ ሃገር ነተን ንግስቲ ክብሪ ኣብዝገልጸሉ ዘሎ ኩነት፡ ስነስርዓት ቀብረን ብኸምዚ ዝስዕብ ክፍጸም እዩ። ሬሳ እተን ንግስቲ፡ ካብቲ ዝሞታሉ ስኮትላንድ ናብ ለንደን ምስ ተመልሰ፡ ኣብ ኣዳራሽ ቤተ መንግስቲ ዌስትሚኒስተር ንኣርባዕተ መዓልቲ ክዓርፍ እዩ። ክሳብ ስርዓተ ቀብሪ ዝፍጸም ድማ፡ ብህዝቢ ክብጻሕን፡ ሕሉፍ ዝኽሪታት ክስነድን እዩ። እዚ ዓቢይ ኣዳራሽ፡ እቲ ዝጠንተወ ክፋል ቤተመንግስቲ ብሪጣንያ እዩ። ንመወዳእታ ግዜ ኣብዚ ኣዳራሽ ዝዓረፈ ኣባል ስድራቤት ንግስነት ብሪጣንያ፡ ኣብ 2002፡ ሬሳ ኣደ ንንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ኰይኑ፡ ኣብቲ ግዜ ብ ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት ከም ዝተበጽሐ ተሰኒዱ'ሎ። ኣስከሬን ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ ኣብ ክብ ዝበለ መድረኽ፡ ንዕኡ ተባሂሉ ኣብ ዝዳሎ ብዕንጸይቲ ዝወቀበ መቐመጥ፡ ኣብ ትሕቲ ጥንታዊ ዕንጸይቲ ዝናሕሱ ኣዳራሽ መበል 11 ክፍለ ዘመን ክንበር እዩ። ነፍስወከፍ ኵርናዕ እቲ መድረኽ ከኣ፡ ካብ ኣባላት ሓለዋ ንጉሳዊ ቤተሰብ ዝዀኑ ወተሃደራት ክቘምዎ እዮም። ኣስከሬን ንግስቲ፡ ካብ ባኪንግሃም ብህዱእ ምረሻ ወተሃደራት ሰልፈኛታትን ኣባላት ቤተሰብን ተዓጂቡ ዌስትሚኒስተር ክበጽሕ እዩ። እዚ ጕዕዞ፡ ህዝቢ ኣብ ጐደናታት ወጺኡ ብኣካል ይዅን፡ ኣብቶም ኣብ ለንደን ሮያል ፓርክ ክትከሉ ትጽቢት ዝግበር ዘሎ ዓበይቲ ስክሪናት ክከታተሎ ክኽእል እዩ። እቲ ሬሳ፡ ብንጉሳዊ ቅጥዒ ዝሽፈን ኰይኑ፡ ኣብ ኣዳራሽ ዌስትሚኒስተር ምስ በጽሐ ኸኣ፡  ኣኽሊልን ልብሲን ንግስነት ክለብስ እዩ። ሃገራዊ ስነስርዓት ቀብሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ኣብ ጥንታዊ ደብሪ ዌስትሚኒስተር ክፍጸም ትጽቢት ይግበር። እቲ ልክዕ መዓልቲ ግን ካብ ቤተንግስነት ባኪንግሃም ብዝወሃብ መግለጺ ክረጋገጽ እዩ። እዚ ቤተክርስትያን፡ እተን ንግስቲ ኣብ 1953 እኽሊል ንግስነት ዝደፍኣሉን፡ ኣብ 1947 ከኣ ንልኡል ፍሊፕ ዝተመርዓዋሉን እዩ። ኣብዚ ቤተክርስትያን’ዚ፡ ካብ 18 ክፍለ ዘመን ኣትሒዙ፡ ክሳብ’ቲ ኣደአን ንንግስቲ ኤልሳቤጥ ዝተቐብራሉ 2002፡ ዝዀነ ንጉሳዊ ቀብሪ ኣይተፈጸመን። መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም፡ ንኣገልግሎትን ህይወትን እተን ንግስቲ ምስ ስድራቤት ሓቢሮም ንኽዝክሩ፡ ናብ ብሪጣንያ ክጓዓዙ እዮም። ገዳይም ፖለቲከኛታትን ቀዳሞት ሚኒስተራትን ብሪጣንያ ነበርን’ውን ኣብቲ ስነስርዓት ክርከቡ እዮም። እዚ ስነስርዓት፡ ሬሳ ንግስቲ፡ ብሓይሊ ባሕሪ ብሪጣንያ፡ ካብ ኣደራሽ ዌስትሚኒስተር ናብቲ ደብሪ ኣብ ዝኸደሉ መዓልቲ እዩ ዝጅምር። እዚ ኣገባብ ንመወዳእታ ግዜ፡ ኣብ 1979፡ ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ ሓወቦ ልኡል ፊሊፕ-  ሎርድ ማውንትባተን እዩ ተራእዩ። ሽዑ ብ142 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ብሪጣንያ እዩ ተደፊኡ። ሓድሽ ንጉስ ዝርከቦም ዓበይቲ ኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብ ነቲ ምረሻ ከሰንይዎ ትጽቢት ይግበር። እቲ ስነስርዓት፡ ብላዕለዋይ ሓላፊ እቲ ገዳም ደቪድ ሆይል ክምራሕን፡ ጳጳስ ካንተበሪ ጃስቲን ወልቢ፡ ቃለ-ቡራኬ ክገብሩን ምዃኖም ይግመት። ኣብ ርእሲኡ ሓዳስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሊዝ ትራስ መደረ ክትህብ’ውን ተኽእሎ’ሎ። ሬሳ እተን ንግስቲ፡ ናብቲ መወዳእታ ዝዓርፈሉ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ ግንቢ ዊንድሶር ቅድሚ ምኻዱ፡ ኣብ መኪና ቐብሪ ተሰቒሉ፡ ብመራሾ ተሰንዩ፡ ካብቲ ደብሪ፡ ኣብ ኵርናዕ ‘ሃይደ ፓርክ’ ለንደን ናብ ዝርከብ ‘ወሊንግተን ኣርክ’ ክጕዓዝ እዩ። ሬሳ ንግስቲ እምበኣር ኣብ መወዳእታ፡ ኣብታ ዕለት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ቤተክርስትያን ሴንት ጆርጅ - ግንቢ ዊንድሶር፡ ክዓርፍ እዩ። ቤተክስርትያን ሴንት ጆርጅ፡ ንመርዓ፡ ጥምቀትን ቀብርን ንጉሳውያን ቤተሰብ ብዙሕ ግዜ ዝዝውተር ቤተክርስትያን እዩ። እዚ ቤተክርስትያን፡ ልዑል ሃሪን ሜጋንን ቃልኪዳን ዝኣሰሩሉ፡ ቀብሪ ልኡል ፊሊፕ ዝተፈጸመሉን ምዃኑ ይዝከር።","category":"ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c6pzvmvq8g3o"} {"headline":"ካብ ንግስቲ ኤልሳቤጥ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ዝተቐበላ ጓል 100 ዓመት ሰበይቲ","content":"መበል ሓደ ምኢቲ ዓመት ልደተን ዘኽበራ ጉዌንዱሊን፡ ካብ ንግስቲ ኢልሳቤጥ ምስ ዓረፋ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ናይ እንቋዕ ብጸሐኪ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት በጺሕወን። እተን በዓልቲ ዕድመ ጸጋ ሰበይቲ በቲ ዝበጽሐን መልእኽቲ ስንባደን ታሕጓስን ተሰሚዕወን።","category":"ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3gwz0lrxd9o"} {"headline":"ዳግማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ምስ ኣፍሪቃ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ርክብ","content":"ንኣፍሪቃ ብፍሉይ ክብሪ ብልበን ከምዝዝክራ ዝንገረለን ዳግማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ኣብ ህይወተን ኣብ ኣገደስቲ እዋናት ኣብታ ኣህጉር በጺሐን ነይረን ። እተን ኣብቲ እዋን፡ ጓል 25 ዓመት ልእልቲ ዝነበራ ኤልሳቤጥ፡ ኣብቲ ኣብ ኬንያ ዝርከብ ልሙዕ  ነዋሕቲ ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ዝርከቦ ኣብ ገጠር ዝርከብ ሆቴል ኣዕሪፈን እንከለዋ፡ ኣቦአን ንጉስ ጆርጅ ሻድሻይ ስለዝሞቱ ንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኰይነን ። ኣብቲ ን70 ዓመት ዝጸንሐ ንግስነት፡ ናብ ልዕሊ 20 ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት ገይረን። ሓደ እዋን ከኣ ኣብ ቅድሚ’ቲ ፍሽኽታ ዝመልኦ ኔልሰን ማንዴላ ፡ ካብ \"ኵሉ ሰብ\" ንላዕሊ ንኣፍሪቃ ከም ዝበጽሓ፡ ምስተዛረባ  እቶም ኣብ ከባቢአን ዝነበሩ ሰባት ብሰሓቕ ቱዋሕ ኢሎም። ንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ምስቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ዓሌታዊ ዕብለላ [ስርዓት ኣፓርታይድ] ቃልሲ ዝመርሐ ነልሰን  ማንዴላ ምዉቕ ብሕታዊ ርክብ ነይሩወን። ማንዴላ ምስ ሞተ ኣብ ዝሃበኦ ናይ ሓዘን ቃል ከኣ፡ ብስሞም እናተጸዋውዑ ብተደጋጋሚ ብስልኪ ይዘራረቡ ከምዝነበሩ፡ ርክቦም ከኣ መርኣያ ምክብባሮምን ሓድሕድ ተገዳስነቶምን ከምዝነበረ ገሊጸን ነይረን። ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ 1995 ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ከዳ፡ ኣብታ ሃገር ጽቡቕ ናይ ዝናብ ወቕቲ ስለዝነበረ፡ ማንዴላ ብኣኽብሮት፡ ብቋንቋ ዙሉ “ሞታለፑላ” ማለት “ንግስቲ ዝናብ” ክብል ይጽውዐን ነይሩ። ንንግስነት ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ኩሉ ውርሻታቱ ስለዝተቐበለኦ፡ ናብ ኩለን እተን ካብ 1957 ካብ ጋና ጀሚሩ ናጽነተን ዝተጎናጸፋ 14 ግዝኣታት ብሪጣንያነ ነበር ሃገራት ኣፍሪቃ  በጺሐን እየን። እተን ንግስቲ ምስ ኩለን እተን ዝበጽሐአን ሃገራት ኮነ ኣህጉር ኣፍሪቃ ድማ ምዉቕ ርክብ መስሪተን። ዳሕራይ ብእተወሰነ መዳይ ነቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ናይ “ ሃገራት ሓባራዊ ሃብቲ” 'ኮመንወልዝ' ዝብል ማሕበር ምስተፈጥረ ከኣ እቲ ርክብ መሊሱ ደልዲሉ። ብ1961 ከኣ ምስቲ ንናጽነት ጋና ዝጐስጎሰን ዝመርሐን ዳሕራይ ቀዳማይ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝዀነን ክዋመ ንኩሩማ ሳዕሲዐን ነይረን። እታ ሃጸያዊት ግዝኣት እትብል ቃል ከኣ ብ1953 ኣብ እዋን ማሕላ ንግስነት ተኣልያ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ መራሕቲ ሃገራት፡ እታ መላእ ኣህጉር፡ ነታ ኣብ ብሪጣንያን ገለ ክፋል ሓባራዊ ሃብትን ዝነውሐ ዕድመ ስልጣን ንዝነበረን ንግስቲ ኤልሳቤጥ ናይ ሓዘን መልእኽቲ ይልእኹ ኣለው። ፕረዚደንት ናይታ ጉዕዞ ንግስነተን ዝጀመራለ፡ ሃገረ ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ \"[ንግስቲ ኤልሳቤጥ] ንሰብኣውነት ዝለዓለ ርእሰ-መስዋእቲ ዝኸፈላ ንዓዲ ኢንግሊዝን ነቲ ኬንያ ኣባሉ ዝኾነት ማሕበር ሃገራት ኮመን ወልዝን ንመላእ ዓለምን ዝለዓለ ጸዳል እየን” ክብል ሓዘኑ ገሊጹ። ዋላ’ኳ ምስ ሮበርት ሙጋበ ብዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ ኣብ መንጎ ዚምባብወን ብሪጣንያን ንብዙሕ ዓመታት ዝሕቱል ርክብ እንተጸንሐ፡ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ ተኪኡ ዘገልግል ዘሎ ፕረዚደንት ኤመርሰን ምናንጋግዋ፡ \"ዓሚቝ ጓሂ\" ከምዝተሰመዖ ንንጉሳዊ ስድራ ቤትን ህዝቢ ብሪጣንያን ሃገራት ሓባራዊ ሃብትን ብትዊተር ገሊጹ። መራሒ ናይታ ግዝኣት ብሪጣንያ ካብ ዝነበራ ግዝኣታት ኣፍሪቃ እታ ዝዓበየት ናይጀርያ ሙሓማዱ ቡሃሪ፡ ብሞት ንግስቲ፡ “ሓያል ጓሂ\"  ከምዝተሰመዖ ኣብ ትዊተር ነዊሕ ጽሑፍ ጽሒፉ። “ታሪኽ ዘመናዊ ናይጀርያ  ብዘይካ ኣበርክቶ እተን ሓያል ዓለምለኻዊ ስብእና ዝነበረን ሓያል መራሒት ዳግማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣይምተዛዘመን። ንሰን ንህዝበነንን ንሃገራት ሓባራዊ ሃብትን ንብምሉኡ ዓለምን ኣብ ዝሓሸ ቦታ ንምብጻሕ ህይወተን ዘወፍያ እየን \"ኢሉ። ንንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ፡ ከም ተካኢ ዝፋን ወላዲቱ ከኣ ዮሃና ኢሉዎ። እቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ናብ ማሕበር ኮመን ወልዝ ዝተጸምበረ መራሕ እታ ግዝኣት ፈረንሳ  ዝነበረ ዝነኣሰ ትሃገር ጋቦን ፕረዚደንት ዓሊ ቦንጎ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊጹ። ዋላኳ ካብ መራሕቲ እታ ኣህጉር [ኣፍሪቃ]ናይ ሓዘን መግለጺ እንተወሓዘ፡  ገለ ኣፍሪቃውያንግን ብስም ንጉሳውያን ስድራቤት እተስገደደ መግዛእቲ ብብሪጣንያ ብዙሕ  ከምእተሳቐዩ ተዛሪቦም። ገለ ካብ ናይ ኣፍሪቃ ነገስታት እውን ሓዘኖም ገሊጾም እዮም ። መስፍን ማንጎሱቱ ቡሸለዚ: ኣብ ክንዲ እቲ መራሒ ህዝቢ ዙሉ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኮይኑ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝተሾመ ንጉስ ሚሱዙሱዙሉ፡ ን50 ዓመት ኣብ ዝፋን ዝጸንሐ ወላዲኡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ስለዝሞተ ንጉስ ቻርለስ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ በዳሂ ኩነታት ከምዘሎ ከምዝርዳእ ተዛሪቡ። ንግስቲ ኤልሳቤጥ ብ1947 መበል 21 ዓመት ልደተን ከብዕላ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ  ምስበጽሓ፡  ኣብቲ ካብ ኬፕ ታውን ዝመሓላለፍ ውሩይ ሬድዮ ፡ ማዕረ ክንደይ ህይወተን ንሃገራት ሓባራዊ ሃብቲ ከምዝወፈያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከኣ ልክዕ  \"ከም ኣብ ቤተን\" ዘለዋ ኰይኑ ከም እተሰምዐን ገሊጸን ነይረን ። እተን ብፖለቲካዊ መርገጺአን ኣብ መላእ ዓለም ፍልጥቲ ንግስቲ፡  ማንዴላ ነቲ ኣፓርታይድ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣገዛዝኣ ዓሌታውነት ዘወግድ ስርዓት ምስ መስረተ ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ብ1995 ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምብጻሕ ፡ ሓያል መደረ ኣቕሪበን እየን። ነታ ሃገር በቲ ዝገበረቶ ዕቤት ናእዳአን ብምግላጽ፡ \"ንስኻትኩም በቲ ኣብነት ዝኾነና ንዓለም ዘንጸባርቕ መንፈስ ዕርቂ ሓደ ህዝቢ ኴንኩም ኣለኹም፤ ኣነ ከኣ ነቲ ተኣምራት ክበሃል ዝኽእል ነገር ክርኢ ተመሊሰ መጺአ ኣለኹ\" ኢለን።","category":"ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv21667vmdeo"} {"headline":"መሰነይታ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት","content":"ስነ ስርዓት ቀብሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ትማሊ ኣብ ለንደን ተፈጺሙ። ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ መራሕቲ ሃገራት ዝርከብዎም ልዕሊ ክልተ ሽሕ ወከልቲ ተረኺቦም።","category":"ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cy67lqlzwxdo"} {"headline":"ንንግስቲ ንምስንባት ኣሽሓት ሰባት መስርዕ ሒዞም ይፅበዩ ኣለዉ","content":"ንኣስከሬን ንግስቲ ብሪጣንያ ነበር ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ዝሰናበቱ ልዕሊ 20 ሽሕ ሰባት፡ 1.6 ኪሎ ሜተር ርሕቐት ዝሽፍን መስርዕ ሒዞም ይጽበዩ ኣለዉ። እቶም ሓዘንተኛታት ትማሊ ሰኑይ ካብ ሰዓት 11፡30 ኣ.ግ [05፡30] ጀሚሮም’ዮም ናብቲ ሬሳ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዝዓረፈሉ ካቴድራል ክኸዱ ጀሚሮም። መኻይን ቤተክርስትያን ሳልቬሽን ኣርሚ ድማ ነቶም መስርዕ ሒዞም ዝጽበዩ ዘለዉ ኣሽሓት ሓዘንተኛታት ውዑይ መስተን መግብን ከቕርባ ተራእየን። ነቶም መስርዕ ሒዞም ዝፅበዩ ሰባት እውን ግዝያዊ ሽቓቓትን ዝስተ ማይን ተዳልዩሎም  ኣሎ። እቶም መስርዕ ሒዞም ሬሳ ንግስቲ ክሰናበቱ ዝፅበዩ ዘለዉ ሰባት፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ምስታፍን ንንግስቲ ኣኽብሮት ምሃብን ኣገዳስነቱ ክዛረቡ ይስምዑ። ኡጋንዳዊት ኤልሳቤጥ ሓንቲ ካብቶም መስርዕ ዝፅበዩ ዘለዉ ሰባት እያ። ኣብ ግላስጎው እትነብር ኤልሳቤጥ ምስ ክልተ ደቃ ብምዃንያ ኣብቲ ነዊሕ ​​መስርዕ ሪጋኣ ትፅነበ ዘላ። ዳኒኤል ዝተበሃለ ወዳ፡ ኣብ እዋን ክብረ-በዓላት ዝግበር ባህላዊ ክዳን ተኸዲኑ ንሳንዱቕ ሬሳ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ክርኢ ኣብ ትፅቢት ይርከብ። \"ኣደይ ኣብታ ንግስቲ ዝተወልዳላ ዓመት እያ ተወሊዳ። ነተን ንግስቲ ስለ እትፈትወን ድማ ኤልሳቤጥ ዝብል ስም ኣውጺኣትለይ\" ትብል ኡጋንዳዊት ኤልሳቤጥ። \"[ኣደኣ] ሎሚ ጓል 96 ዓመት ኰይና’ላ፤ ኣኽብሮታ ንምግላፅ ብቐዳም ናብ ባልሞራል ተጓዒዛ\" ትብል። \"ቈልዑ እንከለና ቀንዲ ኣድነቕቲ ንጉሳዊ ስድራቤት ኢና ነይርና፤ ሎሚ ናብዚ መጺእና ኣካል ናይቲ ታሪኻዊ ህሞት ክንከውን ድልየትና እዩ\" ትብል። ካብ ምብራቕ ሊተን ዝመጹ ካሉምን ኣኔት ኪንግን ብወገኖም፡ ነተን ንግስቲ ንኽፋነዉ መስርዕ ምሓዞም ሕጕሳት ምዃኖም ገሊጾም። ወዲ 54 ዓመት ካሉም፡ ኣብ ሰራዊት እታ ሃገር ንዝነበሮ ወተሃደራዊ ታዕሊም ኣብ ቀዳምን ሰንበትን ብምዝዛም’ዩ ካብ ​​ኖቲንግሃም ተጓዒዙ ነተን ንግስቲ ከፋኑ ተረኺቡ ዘሎ። \"ቅድሚ 34 ዓመታት ይኸውን፡ ነተን ንግስቲ ናይ ተኣማንነት ቃለማሕላ ፈጺመ ነይረ፡” ብምባል፡ ስለዚ ሕጂ ናይ መወዳእታ ኣኽብሮታዊ ሰላምታ ምሃብ ግቡእ ከምዝዀነ ተዛሪቡ። \"ነተን ንግስቲ ናይ ምርኣይ ዕድል ንግሆ ካብ ሰዓት 10 ወይ 11 ክበፅሐና ከምዝኽእል፡ ዝዀነ ሰብ ሓቢሩና’ሎ። ምስ ወዳእና ናብ ገዛና ክንከይድ ኢና። ጽባሕ ንግሆ ስራሕ ክጅምር እየ\" ክብል ወሲኹ ገሊጹ። ነቲ ሳንዱቕ ሬሳ ክርእዩ ዝኸኣሉ ሓዘንተኛታት፡ ናብቲ ካቴድራል ድሕሪ ምእታዎም ዝነበሮም \"ስምዒታዊ\" ህሞት፡ ንቢቢሲ ስኮትላንድ ገሊጾም ኣለዉ። ሰባት ክሳብ ሰሉስ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት 09፡00 (03፡00) ክሰናበቱ ይኽእሉ እዮም።","category":"ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3gwk0kpj9lo"} {"headline":"ኤርትራዊት-ኣውስትራልያዊት ኣብ ወግዓዊ ስነስርዓት ቀብሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ትሳተፍ ኣላ","content":"ንኣውስትራልያ ብምውካል ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ዝተጓዕዘት ኤርትራዊት-ኣውስትራልያዊት ኣብ ወግዓዊ ስነስርዓት ቀብሪ ንግስቲ ኣልሳቤጥ ዳግማዊት ትሳተፍ ኣላ። ኣብ ኤርትራ ተወሊዳ ዝዓበየት ሳባ ኣብራሃም፡ ሓንቲ ካብ ፍሉጣት ዜጋታት ኣውስትልያ ኮይና፡ ንስደተኛታት ብፍላይ ድማ ንደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ምድጋፍ እትነጥፍ'ያ። ሳባ፡ ንኣውስትራልያ ወኪሎም ኣብቲ ስነስርዓት ቀብሪ ክሳተፉ ካብ ዝተሓርዩ 10 \"ተራ ኣውስትራልያውያን\" ዝተባህሉ ንሕብረተሰብ ብዘለዎም ኣበርክቶ፡ ኣፍልጦ ዝተዋህቦም ወልቀሰባት ሓንቲ ኮይና፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነዝ ብሓንቲ ነፋሪት ከምዝተጓዕዘት ንቢቢሲ ተዛሪባ። ንቤተሰብ ንግስቲን ህዝቢ ብሪጣንያን \"ጽንዓት ይሃብኩም\" ዝበለት፡ ሳባ ንንግስቲ ኤልሳቤጥ ዝነበራ ኣድናቖት ገሊጻ። \"ሓቂ ዘረባ ከምተቓላሲት ዝነበርኩ ናታ ደጋፊት እንተዘይነበርኩ፡ ናብ ኣውስትልያ ምስ መጻእኩ ግን፡ እቲ ናታ ተርእዮ ናይ ምምራሕ ብቕዓት፡ ንንግስነታዊ ስርዓትን ደሞክስያዊ ስርዓትን ምምዕርራይን ሚዛንን ሓልያ\" ትኸይድ ምንባራ ከምእትንእድ ትዛረብ። \"ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ ንውጹዓት፡ ብፍላይ ንወጽዓታት ናይ'ቶም 'ኣቦርጅንስ' ተባሂሎም ዝፍለጡ ደቂ-ባት ኣውስትራልያውያን \"ተቐቢላ፡ ናብ ኣውስትራልያ ዙረት ኣብ እተካይደሉ ምስኣቶም ክትገብሮ እትፍትን ርክባት፡ ከምኡ'ውን ምስቲ መሰረታት ህዝቢ ዝነበራ ኣቀራርባ ካብቲ ዝምስጠኒ ዝነበረ'ዩ\"። ፍልጥቲ ተሓላቒት መሰላት ኣቦርጅናውያን ዝኾነት፡ ዶ\/ር ሚርያም-ሮዝ ኡንጉንመር ባውማን'ውን፡ ካብቶም 10 ብምዃን ኣብቲ ስነስርዓት ተሳቲፋ'ላ። ኣውስትራልያ፡ ንኽብሪ ንግስቲ ናይታ ሃገር'ውን ዝኾነት ኤልሳቤጥ ዳግማዊት 10 መዓልታት ሓዘን ኣዊጃ'ላ። ነቲ ኣፍልጦ ምርካበይ \"ክኣምኖ ኣይክልኩን\" ዝበለት ሳባ፡ ዋላ'ኳ ኣብ ዘሕዝን ኣጋጣሚ (ስነስርዓት ቀብሪ) እንተኾነ እቲ ዕድል ምርካባ ክብሪ ከምዝስምዓ ገሊጻ። \"ሓቂ ዘረባ፡ ክኣምን ኣይክኣልኩን፡ መጀመርታ ከምዚ ሓሶት ምድንጋር'ዩ መሲሉኒ ነይሩ፡ ግን ደጋጊሞ ደዊሎም ሓቂ ምስኮነ ብጣዕሚ ገሪሙኒ፡ ክብሪ ተሰሚዑኒ''። እቲ ንግስነታዊ ቤተሰብ፡ ንከማና ዝኣመሰሉ ተራ ሰባት ንሕብረተሰብ ለውጢ ንምምጻእ ንገብሮ ጻዕሪ ኣፍልጦ ምሃቦምን፡ ናይ ክብሪ ዕዱማት ኴንና ኣብዚ ዓለምለኻዊ ስነስርዓት ቀብሪ ክንርከብ ምኽኣልና፡ ኣነ ጥራይ ዘይኮንኩስ እቶም 10 ሰባት፡ ሓበን ይስምዓኒ\" ትብል ሳባ። ሳባን ብጾታን፡ ኣብቲ መራሕቲ ዓለም፡ ሰበስልጣን መንግስቲ ብሪጣንያን ዕድመ ዝተገብረሎም ወልቀሰባትን ጥራይ ዝሳተፍዎ፡ ኣብ ቤተክርስትያን ዌስትሚኒስተር ኣቢ ዝግበር ስነስርዓት ክሳተፉ'ዮም ተዓዲሞም። ድሕሪ'ቲ ብዙሕ ሰዓታት ዝወሰደ በረራ ብዓርቢ ናብ ለንደን ድሕሪ ምእታዋ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ወግዓዊ ኣኼባታትን ጽንብላትን ክትሳተፍ ቀንያ'ላ። ሳባ፡ ነቲ ኣፍልጦ ምርካባ፡ ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ኣውስትራልያን ዓለምን ስሒባ'ላ። ኣብ 2022፡ ነቲ ዓመታዊ ዝወሃብ ሽልማት \"ብሉጽ ኣውስትራልያዊ\" ዝተሓጸየትን፡ ኣቐዲማ \"ጅግና ዞባ\" (ሎካል ሄሮ) ክፍለሃገር ኲንስላንድ ዝኾነት እያ። ግርማዊት ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ መበል 96 ዕድሚአንን ኣብ መበል 70 ዓመት ንግስነትንን እየን ዓሪፈን። ስነስርዓት ቀብረንን ድማ ሎሚ ሰኑይ 19 መስከረም ብዙሓት መራሕቲ ዓለም ኣብ ዝተረኽብሉ ብውግዒ ክፍጸም እዩ።","category":"ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cpdyj1gr1rgo"} {"headline":"ፍሽኽታ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ፈጺመ ኣይክርስዖን'የ' ካሚላ","content":"እቶም ሰማያዊ ኣዒንቲ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ንፍሽኽታኣ ኣመና የድምቕዎ ከምዝነበሩ ዝገለጸት ካሚላ፡ ፍሽኽታ ናይታ ንግስቲ ፈጺማ ከምዘይትርስዖ ተዛሪባ።","category":"ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cgx9ep0jvz9o"} {"headline":"ብምኽንያት ሞት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ጸወታታት ኮዕሶ እግሪ ተሰሪዞም","content":"ብምኽንያት ሞት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ ቀዳምን ሰንበትን ክካየዱ ዝነበሩ ኩሎም ጸወታታት ፕሪመርሊግ እንግሊዝ፣ ዌልስ፣ ግጥማት ሰሜናዊ ኣየርላንድን ስኮትላንድን  ተናዊሖም፡፡ 10 ጸወታታት ፕሪምየርሊግን 6 ስኮቲሽ ፕሪምየርሺፕን ክካየዱ መደብ ነይሩ፡፡ ንዓርብን ቀዳምን ዝተተለሙ ጸወታታት ሊግ እንግሊዝ ዝነበሩ ኮይኖም፡ ሽዱሽተ ጸወታታት ሱፐርሊግ ደቂ ኣንስትዮ እውን ንቐዳምን ሰንበትን መደብ ወጺኡሎም ነይሩ፡፡ ብተመሳሳሊ ጸወታታት ናሽናል ሊግ እንግሊዝ፣ ኤፍኤ ትሮፊን ግራስሩትን እውን ተሰሪዞም ኣለዉ፡፡ ብካልእ ገጽ እንግሊዝ ምስ ደቡብ ኣፍሪቃ እተካይዶ ጸወታ ክሪኬትስ ቀዳም ዝቕጽል ኮይኑ ግጥም ትዌንቲ20 እንግሊዝን ህንድን ክቕጽል እዩ፡፡ ብሓሙስ ተቛሪጹ ዝነበረ ጸወታ ሻምፒዮንሺፕ ጎልፍ ፒጂኤ ድማ ሎሚ ቀዳም ክቕጽል እዩ፡፡ ውድድር ቅድድም ፈረስ ሰንበት ዝጅመር ኮይኑ፡ ዓርቢ ክካየዱ ዝነበሮም ውድድራት ዝተናውሕዎ  ፕሪምየርሺፕ ራግቢ ድማ ቀዳም ክጅመር እዩ፡፡ ሳቫና ማርሻልን ክላረሳ ሺልድስን ዝራኸባሉ ሻምፕዮና ጉስጢት ዓለም፡ ን 15 ጥቅምቲ እንትናዋሕ፡ ብቦርድ ጉስጢት ብሪትሽ ዝካየዱ ኩሎም ውድድር እዚ ቀዳምን ሰንበትን ተናዊሖም ኣለዉ፡፡ ሰንበት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ‘ግሬት ኖርዝ ራን’ ብመሰረት ዝተትሓዘሉ መደብ ከምዝካየድ ዝተገለጸ ኮይኑ እቶም ኣዳለውቲ ነቲ መደብ፡ ሰባት ብሓባር ኮይኖም ንምጽናንዕን ነተን ንግስቲ ዘለዎም ክብሪ ንምግላጽን ክጥቀምሉ ምዃኖም ኣፍሊጦም፡፡ ማንቸስተር ሲቲን ቦርሻ ዶርቱሞንድን ዝመጽእ ረቡዕ ኣብ ስታድዮም ኢቲሃድ ዘካይድዎ ጸወታ ሻምፒዮንስ ሊግ ከምኡ እውን ኣብ ዝመጽእ ሓሙስ ኣብ መንጎ ማንችስተር ዩናይትድን ኤፍሲ ሸሪፍን ኣብ ሞልዶቫ  ዝካየድ ጸወታ ሊግ ኣውሮጳ ብመሰረት ትልሞም ክካየዱ እዮም፡፡ ን 70 ዓመት ንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኮይነን ዘገልገላ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ኣብ 96 ዓመተን ብሓሙስ ዓሪፈን፡፡ መንግስቲ ዘውጸኦ መምርሒ ሓዘን ውድድራት ስፖርት ክስረዙ ዘየገድድ ኮይኑ እቲ ውሳነ ንሰብ ዋና ሓድሕድ ስፖርት ገዲፍዎ፡፡ ብተመሳሳሊ ኣብ መዓልቲ ቀብሪ እተን ንግስቲ እውን ምስራዝ ጸወታታት ግድን ኣይኮነን፤ እንተኾነ ምስቲ ሰዓታት ከይጋጮ ምትዕርራያት ክግበር ከምዝኽእል የመልክት፡፡","category":"ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2e8891rqlo"} {"headline":"ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ኣብ ዝቕበራላ መዓልቲ ዘሎ መደባት","content":"ሬሳ ናይተን ብ 8 መስከረም ዝዓረፋ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ሎሚ 19 መስከረም ሓመድ ኣዳም ክለብስ'ዩ። እቲ ኣስከሬን ኣብ ደብሪ ዌስትሚኒሰተር ኣብ ቅድሚ ኣሽሓት ሰባት ጸሎተ ፍትሓት ምስተገበረሉ፡ ናብቲ መወዳእታ ዘዕርፈሉ ቦታ ክጓዓዝ'ዩ። እዚ ሎሚ ዝህሉ ስምዒት ስነ ስርዓት ቀብሪ፡ ድሕሪ እቲ ቅድሚ 60 ዓመታት ኣብ እዋን ቀብሪ ዊኒሰተን ቸርችል ዝተራእየ ናይ መጀመርታ ሃገራዊ ቀብሪ እዩ። ኣስከሬን ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ኣብቲ ኣብ ሕምብርቲ ለንደን ዝርከብ ኣዳራሽ ዌስትሚኒስተር ክኣቱ'ዩ። ካብ ብንግሆኡ ኣሽሓት ሰባት ኣብ ወሰናስን ጽርግያ ኣስከሬን እተን ንግስቲ ንምርኣይ ሪጋ ሒዞም ይርከቡ። ሃይማኖታዊ መደባት ቅድሚ ምጅማሩ፡ መዓጹ ገዳም ዌስትሚኒስተር ንኣጋይሽ ክኽፈት'ዩ። ሓያለ መራሕቲ ሃገራት፡ ኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብ፡ ላዕለዎት ፖለቲከኛታት ብሪጣንያን ቀዳሞት ሚኒስተራት ዓባይ ብሪጣንያ ነበርን ኣብቲ ቦታ ክርከቡ'ዮም። ንጉስ ቤልጂም ፍሊፕን ንግስቲ ማቲልደን፡ ንጉስ ስጳኛ ፍሊኦን ንግስቲ ለቲዛን'ውን ኣብቲ ስነስርዓት ክርከቡ'ዮም። ኣስከሬን ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ካብቲ ካብ ረቡዕ ጀሚሩ የዕሪፍሉ ዝጸንሐ ቦታ ተላዒሉ፡ ናብ ገዳም ዌስትሚኒስተር ክውሰድ'ዩ። እቲ ኣስከሬን ብ142 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ተሰንዩ ኣብ ሰረገላ ተሰቒሉ ክውሰድ'ዩ። እታ ሰረገላ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ 1979 ኣብ እዋን ቀብሪ ልኡል ፍሊፕ'ያ ተራእያ ነይራ። ኣብ 1952 ንጉስ ጆርጅ ሻዱሻይ ምስ ሞቱ'ውን ኣስከሬኖም በዛ ሰረገላ'ዩ ተጸይሩ ነይሩ። ንጉስን ደቁን ዝርከቦም ላዕለዎት ኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብ፡ ደድሕሪ እታ ሰረገላ ክስዕቡ'ዮም። እቲ 2000 ኣጋይሽ ክሳተፍዎ ትጽቢት ዝግበረሉ ስነስርዓት ጸሎት፡ ኣብ ገዳም ዌስትሚኒሰተር ክጅምር'ዩ። እዚ ሃገራዊ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኰይኑ፡ ብፍሉይ ንንጉስን ንንግስትን ዝግበረሎም፡ ነብሱ ዝኸኣለ ናቱ መስርሓት ዝኽተል'ዩ። ደብሪ ዌስትሚኒሰተረ ነገስታት ዝቅብእሉ ታሪኻዊ ገዳም እዩ። ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት'ውን ኣብቲ ደብሪ'የን ኣብ 1953 ንግስነት ተቐቢለን። ብዘይካ'ዚ ኣብ 1947'ውን ኣብዚ ደብሪ'የን ቃልኪዳን ኣሲረን። ኣዲኤን ንንግስቲ ኤልሳቤጥ ደግማዊት ኣብ 2002 እኳ ኣብዚ ደብሪ እንተተቐበራ፡ ካብ 18 ክፍለ ዘመን ኣትሒዙ ኣብዚ ደብሪ ንጉሳውያን ስነስርዓት ቀብሪ ኣይተኻየደን። ናይ ክልተ ደቂቕ ናይ ሕልና ዝኽሪ ክግበር'ዩ። ድሕሪ'ዚ ሃገራዊ መዝሙር ክዝመር እዩ፤ በዚ ኸኣ ክሳብ ፍርቂ መዓልቲ ዘሎ ስነስርዓት ክዛዘም'ዩ። ኣስከሬን ንግስቲ ካብ ደብሪ ናብ ዊሊንግተን ክኸይድ እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ከኣ ኣብ መናፈሻ ሃይደ ከቢድ ብረት ክትኮስ'ዩ። ሰብ ኣብ ወሰናስን እቲ ኣስከሬን ዝሓልፈሉ ጽርግያ ኰይኑ ነቲ ስነስርዓት ክዕዘቦ'ዩ። ኣስከሬን ንግስቲ፡ ንጉስን ካልኦት ኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብን ዓጂቦምዎ ሰዓት ሓደ ናብ ዊንድሶር ከምርሕ'ዩ። ዊንድሶር ኣብ ዝሓለፈ 1000 ዓመታት ልዕሊ 40 ነጋውስን ንግስታትን ዝነበሩሉ እዩ። ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ'ውን ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ኣብዚ ቤተ መንግስቲ ብቐዋምነት ይነብራ ነይረን። እዚ 5 ኪሎሜተር ርሕቀት ዘለዎ ቤተ መንግስቲ ወሰን ወሰን ጽርግያ ብዕጡቓት ክኽበብ'ዩ። ኣስከሬን ንግስቲ ናብ ቅዱስ ጊዮርጊስ ክኣቱ'ዩ። ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ንጉሳውያን ቤተ ሰብ ዝምርዓውሉ፡ ዝጥመቑሉን ጸሎት ፍትሓት ዝገብርሉን እዩ። ልኡል ሃሪን ሜጋንን'ውን ኣብ 2018 ኣብዚ ቤተ ክርስትያን'ዮም ቃል ኪዳን ኣሲሮም። ኣብቲ ቤተ ክርስትያን 800 ዕዱማት ክርከቡ መደብ ተታሒዙ ኣሎ። ኣብዚ ቦታ'ዚ ኸአ ንመወዳእታ ግዜ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ ካብቲ ሳንዱቕ ኣኽሊለን ክልዓል'ዩ። ድሕሪ ስነስርዓት ቀብሪ፡ ኣባላት ንጉሳዊ ስድራቤት ካብቲ ቦታ ቤት ክርስትያን ክወጽኡ'ዮም። ኣብ ስዓታት ድሕሪ ቀትሪ፡ ኣባላት ስድራቤት ጥራይ ኣብ ዝርከብሉ ኣብ ጎኒ ብዓል ቤተንን ንጉስ ጀርጅ ሻድሻይን ሓመድ ኣዳም ክለብሳ'የን። ኣብ ልዕሊ መቓብረን ከአ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ካብ 1926-2022 ዝብል ጽሑፍ ክጽሓፈለን'ዩ።","category":"ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-62954996"} {"headline":"ደቂ ደቀን ንንግስቲ ኤልሳቤጥ እኖሓጎኦም ይሕልዉ","content":"ሸሞንተ ደቂ ደቂ ንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም፡ ስነ ስርዓት ምሕላው ንነፍስሄሪት ዓባዮም ኣካይዶም።","category":"ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ceqlwp8xdx6o"} {"headline":"ሰላምታ ልኡል ልእልትን ዌልስ ኣብ ኣፍ ደገ ቤተ ንግስነት ዊንድሶ","content":"ልኡልን ልእልን ዌልስ ኣብ ኣፍ ደገ ቤተ ንግስነት ንዝተኣከበ ህዝቢ ሰላም ኢሎም።","category":"ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cl4384rgeyeo"} {"headline":"ልኡል ሃሪን በዓልቲቤቱ ሜጋንን ስያመ ንጉሳዊ 'ልዕልነቶም' ክኣልይዎ ወሲኖም","content":"ልኡል ሃሪን በዓልቲ ቤቱ ሜጋንን ነቲ ናይ 'ንጉሳዊ ልዕልነቶም' ስያመ ክጥቀሙ ከም ዘይክእሉን፡ ካብቲ ንጉሳዊ ማእከን ናይ ገንዘብ ድጎማ ከም ዘይረኽቡን ቤተመንግስቲ ባኪንግሃም ኣፍሊጡ። እቶም ሰብ ኪዳን፡ ደጊም ወግዓውያን ተወከልቲ ናይ ንግስቲ ኣይክኾኑን እዮም። ንሳቶም፡ ንመሀደሲ መንበሪ ገዝኦም ዝወጽአ ከባቢ 3 ሚልዮን ዶላር ክመልሱ ምዃኖም'ውን እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ። እዚ ካብ ዝመጽእ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ተግባራዊ ከም ዝኸውን እቲ ቤተመንግስቲ ኣፍሊጡ። ንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ብዛዕባ መጻኢኦም ኣመልኪታ ምስቶም ሰብ ኪዳን ብሰኑይ ድሕሪ ዝገበረቶ ዝርርብ እዩ እዚ መግለጺ ወጽዩ። ሃሪን ሜጋንን ኣቐዲሞም፡ ኣብቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ካብ ዝጸንሖም ላዕለዋይ ተራ ክስሕቡ ምዃኖም ኣፍሊጦም ነይሮም። ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ዝርርብን ምይይጥን፡ ኣብ ሃናጽን ዘተባብዕን ምርድዳእ ምብጽሖም ከም ዘሐጎሳ ንግስቲ ተዛሪባ። \"ሃሪ፡ ሜጋንን ኣርችን ወትሩ ፍትዋት ኣባላት ስድራቤተይ እዮም\" ድሕሪ ምባል \"ተወፍዮም\" ስለ ዘገልገሉን ብፍላይ ሜጋን ቀልጢፋ ምስቲ ስድራቤት ምውህሃዳ ኣመስጊና። እቲ ቤተመንግስቲ ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ \"እቶም መሳፍንቲ ሳሴክ፡ ንጡፋት ኣባላት እቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ስለዘይኮኑ፡ ነቲ ናይ 'ንጉሳዊ ልዕልነቶም' ስያመ\" ከም ዘይጥቀሙ ኣፍሊጡ። ናይ ንጉሳዊ ልዕልነቶም (ሮያል ሃይነስ) ስያመ ንገለ ኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብ ዝወሃብ እዩ።","category":"ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51166022"} {"headline":"ውሳነ ሃሪን ሜጋንን፡ ልእልቲ ሜጋን ናብ ካናዳ ተመሊሳ","content":"ኣብ ንጉሳዊ ስድራቤት እጃም ልኡል ሃሪን ልእልቲ ሜጋንን እንታይ ከም ዝኸውን ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣብ ዝርከበሉ እዋን፡ ልእልቲ ሳሴክስ [ሜጋን]፡ ኣብ ካናዳ ናብ ዝርከብ ወዳ ከም ዘምርሐት ተገሊጹ። ሜጋንን ልኡል ሃሪን ንበዓል ልደት፡ ኣብ ካናዳ፡ ምስ ወዶም ኣርቺ እዮም ኣሕሊፎምዎ። ንሳቶም ካብ ላዕለዋይ መዝነት እቲ ንጉሳዊ ስድራቤት ከንሳሕቡ ምዃኖም ድሕሪ ምግላጾም፡ ንግስቲ ኤልሳቤጥ፣ ልኡል ዌልስን መስፍን ኬምብሪጅን፡ ላዕለዎት ኣባላት መፍትሒ ክረኽቡ ሓቲቶም ኣለው። እቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ብውሳነ እቶም መጻመድቲ ከም \"ዝተጎድአ\" እዩ ዝግለጽ። ልኡል ሃሪን ሜጋንን ነቲ ውሳነ ቅድሚ ምውሳኖም ንዝኾነ ኣባል እቲ ስድራቤት ከም ዘይተወከሱ፡ ምንጭታት ቢቢሲ ይገልጹ። ኣብቲ ረቡዕ ምሸት ዝሃብዎ መግለጺ፡ ልኡል ሃሪን ሜጋንን \"ካብ ላዕለዋይ መዝነት ንጉሳዊ ስድራቤት ከንሳሕቡን፡ ብፋይናንስ ነጻ ክኾኑ ምእንቲ፡ ክሰርሑ ከም ዝደልዩን\" ሓቢሮም። ንሳቶም ነዚ ውሳነ \"ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ውሽጣዊ ምይይጥ\" ከም ዝወሰንዎን ግዚኦም ኣብ ብሪጣንያን፡ ሰሜን ኣሜሪካን ከሕልፍዎ ምውጣኖምን ገሊጾም። ብሓሙስ ንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ምስ ልኡል ዌልስን መስፍን ኬምብሪጅን ድሕሪ ምርኻብ፡ ላዕለዎት ኣባላት ምስ መንግስቲ ብምትሕብባር፡ መፍትሒ ከናድዩ እኳ እንተሓተቱ፡ ሜጋን ግና ናብ ካናዳ ከም ዘምርሐት ወኪል ቢቢሲ ኣረጋጊጹ። ቤተ-መንግስቲ ባኪንግሃም ብውሳነ እቶም መጻመድቲ \"ጸልሚትዎ\" ከም ዘሎ፡ ወኪል ቢቢሲ ካብቲ ስፍራ ጸብጺቡ። ኣብቲ ንጉሳዊ ስድራቤት፡ ብዛዕባ መጻኢ ናይ መስፍን ሳሴክስ ዝርርባት ክካየዱ እኳ እንተጸንሑ፡ ብዙሕ ከም ዘይሰጎሙ እቲ ወኪል ሓቢሩ። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንመግለጺ ሃሪን ሜጋንን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ከም ዝሓዘነን ንንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣኽብሮት ከም ዘለዎን እዚ ከም ዘይግብኣን ተዛሪቡ። ቤተ-መንግስቲ ባኪንግሃም ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ \"ዝተፈለየ መገዲ ክወስዱ ምምራጾም ንርድኣሎም ኢና፤ እንተኾነ ግና እዚኦም ዝተሓላለኹን ክፍትሑ ግዜ ዝሓቱ ጉዳያት እዮም\" ኢሉ። ኣንጻር ውሳነ እቶም መጻመድቲ፡ ሃሪ ኣብ መስመር ዙፋን እቲ ንግስነት፡ ኣብ ሻዱሻይ ደረጃ ንግስነት ክቕጽል እዩ።","category":"ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51074551"} {"headline":"ጥዕና ንግስቲ ኤልሳቤጥ ሻቕሎት ፈጢሩ","content":"ብኩነታት ጥዕና ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዝተሻቐሉ ሓካይም፡ ኣብ ቤተንግስነት ባልሞራል ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ሕክምና ክጸንሓ ወሲኖም። ኩሎም ደቀን'ውን ናብቲ ኣብ ስኮትላንድ (ብሪጣንያ) ዝርከብ ቤተንግስነት ይኣትዉ ከምዘለዉ ተፈሊጡ'ሎ። \"ተወሳኺ መርመራ ድሕሪ ምክያዱ፡ ሓካይም እተን ንግስቲ ብኩነታት ጥዕና ናይተን ግርማዊት ብምሽቓሎም፡ ኣብ ትሕቲ ሕክምናዊ ክትትል ክጸንሓ ኣዚዞም ኣለዉ\" ክብል ቤተንግስነት ባኪንግሃም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ። እተን ንግስቲ: ኣብ ምቹእ ኩነታት ከምዘለዋ'ውን እቲ መግለጺ ሓቢሩ። ቤተንግስነት ባኪንግሃም ከምዚ ዓይነት መግለጺ ከውጽእ ንቡር ኣይኮነን- ብዛዕባ ሕክምናዊ ኩነታት እተን ጓል 96 ዓመት ንግስቲ ውልቃዊ ገይሩ ስለዝርኢ ብዛዕባኡ ክዛረብ ደሌት የብሉን። ወራሲ-ንግስነት ዝኾነ ልኡል ቻርለስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ልእልቲ ኮርንዎል ናብ ባልሞራል ከይዱ'ሎ። ሓፍቱ ልእልቲ ኣን፡ ንኻልእ ንጥፈታታ ክትብል ኣቐዲማ ኣብ ስኮትላንድ ኣትያ ነይራ'ያ። ወዲ-ወዳ ዝኾነ ልኡል ዊልያም፡ መስፍን ካምብሪጅን ካልኦት ኣባላት ቤተሰብን ድማ ናብቲ ቦታ ኣቕኒዖም ከምዘለዉ ተገሊጹ። መስፍን ሳሰክስ፡ ልኡል ሃሪን ብዓልቲ ቤቱ ሜጋን መርከልን'ውን፡ ነቲ ኣብ ለንደን ካከይድዎ ሓሲቦም ዝነበሩ ናይ ግብረሰናይ ንጥፈታት ብምቁራጽ ናብ ባልሞራል ኣምሪሖም ኣለዉ። ኣብ ኣፍደገ ቤተንግስነት ባልሞራል፡ ግዝያዊ ሓጹር ክትከል ተራእዩ። እተን ንግስቲ ቅድሚ ሕጂ ናይ ምንቅስቓስ ጸገማት ከጋጥመን ምጽንሑን፡ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ካብ ምክያድ ዓዲ-ምውዓለን ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ። እዚ ናይ ሎሚ መግለጺ ነቲ ጸገም'ቲ ካብ ምግላጽ ዝሓለፈ ምዃኑ ዝያዳ ሻቕሎት ፈጢሩ'ሎ። ምስ ኣባላት ቤት ምኽሪ ላዕለዎት ሚኒስተራት መንግስቲ ብማዕዶ ብማንዛ ክራኸባ ምግዳደን'ውን፡ እናተዳኸማ ከምዝኸዳ ዝኣመተ'ዩ። ሓዳስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሊዝ ትራስ'ውን ኣብ ክንዲ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ቤተንግስነት ባኪንግሃም ኣብ ባልሞራል ወግዓዊ ሽመት ክትቅበል ምግባሩ'ውን ንኩነታት ናይተን ንግስቲ ዝገልጽ'ዩ ነይሩ። እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር፡ ህዝቢ እታ ሃገር ብዛዕባ ኩነታት ጥዕና እተን ንግስቲ ኣብ \"ዓሚቚ ሻቕሎት\" ከምዝኣቱ ተዛሪባ። \"ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ሓሳበይን ናይ ብምልኡ ህዝቢ ዓባይ ብሪጣንያን፡ ብዛዕባ ግርማዊት ንግስትን ቤተሰበንን ኮይኑ'ሎ\" ትብል ሊዝ ትራስ። ላዕለዋይ መራሒ ኣንግሊካን ቤተክርስትያን ዓዲ-እንግሊዝ፡ ሊቀጳጳስ ካንተርበሪ ጃስቲን ወልቢ ብወገኑ \"ሎሚ ጸሎተይን ጸሎት [እታ ቤተክርስትያንን) ህዝቢ እታ ሃገርን በዛዕባ ግርማዊት ንግስቲ እዩ\" ክብል ገሊጹ'ሎ። \"ኣምላኽ፡ ነታ ግርማዊት፡ ቤተሰባን፡ ኣብ ባልሞራል ንዝኣልዩወን ዘለዉን ሓይሊን ሓልዮትን ይሃብ\" ድማ ኢሉ። እቲ ዜና፡ ኣባላት ፓርላማ ብሪጣንያ ኣብ ዌስሚኒስተር ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ትራስ ብዛዕባ ቅልውላው ጸዓት ኣብ ዝዝትይሉ ዝነበሩ እዋን'ዩ ወጺኡ።","category":"ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cpr2enrvz2no"} {"headline":"ዜና ዕረፍቲ፡ ልኡል ፊሊፕ መስፍን ኤዲንብራ","content":"ልኡል ፊሊፕ፡ መስፍን ናይ ኤዲንብራ፡ ንንግስቲ ኤልሳቤጥ ብዝወፈይዎ ጽኑዕን ዘየቋረጸን ድጋፍ ልዑል ኣኽብሮት ረኺቦም። እቲ ዝተሰከምዎ ሓላፍነት ቀሊል ኣይነበረን - ምናዳ'ኳ መዝን ኣካይዳን ሓይሊ ባሕሪ ንዝለመደ ሰብ፡ ምስኡ ኸኣ ኣብ ብርክት ዝበሉ ኣርእስትታት ዕጽቕ ዝበሉ ርእይቶታት ንዘለዎ ሰብ። ኰይኑ ግን ሓላፍነቶም ዉጽኢታዊ ክዀነሉ ዝኻኣለሉ ምኽንያት ኣብቲ ሓያል ባህርይኦም ንረኽቦ። ብዓል-ቤት ንግስቲ ኤሳቤጥ ብምዃኖም ቅዋማዊ ስልጣን ኣይነበሮምን። ይዅን'ምበር ካብ ልኡል ፊልፕ ኣብሊጹ ንንግስነት ዝቐርብን ወይ ከኣ ዝያዳ ኣድላይነት ዘሎዎ ሰብ ኣይነበረን። ልኡል 'ፊሊፕ ናይ ግሪኽ' ብ 10 ሰነ 1921 ኣብ ደሴት ኮርፉ ተወለዱ። ኣብ ናይ ትውልዲ ምስክር ወረቐቶም ዝተመዝገበ መዓልቲ ትውልዶም ግን 29 ጉምበት 1921 ይብል - እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ኸኣ ኣብቲ እዋን'ቲ ግሪኽ ጌና ናይ ጎርጎርዮሳዊ ኣውደ ኣዋርሕ ብዘይ ምርዓማ'ዩ። ኣቦኦም ንልኡል ኣንድሪው ናይ ግሪኽ - ንንጉስ 'ጆርጅ 1 ይ ናይ ሄለነስ ' ንእሽቶ ወዶም ነበሩ። ኣዲኦም ከኣ ልእልቲ ኣሊስ ናይ ባተንበርግ - ቦኽሪ ጓል ልኡል ሉዊ ናይ ባተንበርግ - ሓብተን ከኣ አርል ናይ ማውንትባተን ናይ በርማ ነበራ። ኣብ ኤውሮጳ ውግእ የንጸላሉ ስለ ዝነበረ ልኡል ፊሊፕ ኣብ ውትህድርና ኣተዉ። ኣብ ዘውዳዊ ሓይሊ ኣየር'ኳ ክኣትዉ ይድለዩ፡ ብናይ ኣዲኦም ስድራቤት ሓያል ናይ ባሕረኛታት ባህሊ ተደፊኦም ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ተጸንበሩ - ከም ሕጹይ-መኰነን ኣብ ብሪታንያ ሮያል ኮለጅ ኣተዉ - ኣብ ዳርትሙዝ - ደቡባዊ ገማግም ባሕሪ እንግሊዝ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ታዕሊም ኣብ ዝነበርሉ እዋን ንልእልቲ ኤልሳቤጥ፡ ምስ ሓብተን፡ ከዕጅብወን ተሓጽዩ - ንጉስ ጆርጅ 6ይ ምስ በዓልቲ ቤቶም፡ ንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ንዑደት ኣብቲ ኮለጅ ንዑደት ዝኸድሉ እዋን ነበረ። እቲ ዑደት፡ ምስ ልኡል ፊሊፕ ምርኻብ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ጌና 13 ዝዕድሚኣ ኤልሳቤጥ ስምብራት ገደፈ። ፊሊፕ'ውን ኣብ ስርሖም ተስፋ ዝተነብሮም ሕጹይ ምዃኖም ኣመስከሩ - ብ ጥሪ 1940 ካብ ብጾቶም እቲ ዝለዓለ ነጥቢ ብምምጻእ ተመረቑ፣ ጸኒሖም ኸኣ ኣብ ህንዳዊ ዉቃያኖስ ዝተኻየድ ዉግእ ንመጀመርታ እዋን ተኻፈሉ። ብወርሒ ጥቅምቲ 1942 ሓደ ካብ'ቶም ኣጕባዝ (ናይ ተነንተ ማዕርግ ዝነበሮም) ኣባል ዘውዳዊ ሓይሊ ባሕሪ ዀይኖም ኣብ ኤች.ኤም.ኤስ. ዎለስ - ሃዳኒት መርከብ ተመዲቦም ነበሩ። ኣብቲ እዋን'ቲ ምስ መንእሰይ ልእልቲ ኤልሳቤጥ ብደብዳቤ ይራኸቡ ነበሩ - ሓሓሊፎም ድማ ተዓዲሞም ኣብ እንዳ ንጉስ ንኽበጽሑን ክቕንዩን ይኸዱ ነበሩ። ብጊዜ ሰላም ርክቦም ሰሰነ፣ ብሓጋይ 1946 ንንጉስ ጆርጅ 6ይ ንመውስቦ ሓተቱ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ቅድሚ ንሕጸ ምቍ'ጻሮም ልኡል ፊሊፕ ሓዲሽ ዜግነትን ሓድሽ ናይ ስድራ-ቤት ስም ኣድለዮም። ናይ ግሪኽ ዜግነቶም ሓኺኾም ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ወሰዱ፣ ስሞም ከኣ 'ማውንትባተን'፡ ብናይ ኣዲኦም - ዝተኣንግለዘ (anglicised) ስም ስለ ዝነበረ - ንመጸወዒኦም ክኸውን መረጹ። መርዕኦም ኣብ ወስትሚኒስተር ኣቢ ብ 20 ሕዳር 1947 ተፈጸመ። ልኡል ፊሊፕ ናብ ስርሖም ተመልሱ፣ ኣብ ማልታ ንጊዜኡ ተመደቡ - እቶም ምርዑዋት ናብርኦም ከም'ቶም ካልኦት ኣብ ወትሃደራዊ ዕማም ዝነበሩ ዀነ - ማለት ተፈላሊኻ ምንባር። ቦኽሪ ወዶም፡ ልኡል ቻርለስ፡ ኣብ ባኪንግሃም ፓላስ ብ 1948 ተወልዱ፣ ጓሎም፡ ልእልቲ ኣን ከኣ ብ1950። ብ 2 መስከረም 1950 መኰንናት ሓይሊ ባሕሪ ዝምነይዮ ንያት ተጐናጸፉ - ንሶም ዝእዝዝዋ ናይ ዉግኣ-መርከብ ኤች.ኤም.ኤስ. ማግፓይ ተዋህቦም። ኣብቲ እዋን'ቲ ጥዕና ናይ ንጉስ ጆርጅ 6ይ እናኸፍአ ይኸይድ ነበረ፣ ጓሎም እቲ ንግስነት ዝጠልቦ ስርሓት ንኽትሰርሕ ተገደደት - ኣብ ጐድና ኸኣ በዓል ቤታ ክህሉ ነበራ። ብ 1951 ልኡል ፊሊፕ ካብ ዘውዳዊ ሓይሊ ባሕሪ ዕረፍቲ ብምውሳድ ንበዓልቲ ቤቶም ተጸንበርወን፣ ካብ ሽዑ ጀሚሮም ናብ ሓይሊ ባሕሪ ኣይተመልሱን። መዘንኦም፡ ልኡል ፊሊፕ በቲ ዝጀመርዎ እንተ ዝቕጽሉ ነይሮም ብብቕዓቶም 'ፈርስት ሲ ሎርድ' - ቀዳማይ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ - ማዓርግ ምተጐናጸፉ ነይሮም ይብሉ። ብ 1952 ልእልቲ ኤሳቤጥን ልኡል ፊሊፕ ኣብ ዑደተ-ኮሞንወልዝ ገሹ፡ ንንጉስን ንግስትን ተመዲቡ ዝነበረ ዑደት ማለት'ዩ። ብወርሒ የካቲት፡ እቲ ዑደት ኣብ ከንያ ኣብ ሓደ ሕዛእቲ-ሃድን ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ንጉስ ከም ዝሞቱ ተፈልጠ። ብዕብሰተ-ኣርተሪ - ዘምሕር ሕማም ልቢ - ከም ዝሞቱ ተፈልጠ። እቲ ሓላፍነት መርድእ ኣብ ልኡል ፊሊፕ ወደቐ። ሞት ናይ ኣቦአን ጥራሕ ዘይኰነስ እቲ ንግስና ናብአን ከም ዝተመሓላለፈ። እቲ ጽንብል ንግስነት ምስ ቀረበ ልኡል ፊሊፕ፡ ዋላ'ኳ ድሕሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ቀዳምነት ይሃልዎም፡ ቅዋማዊ ሓላፍነት ከም ዘይህልዎም ዘውዳዊ ትእዛዝ ተኣወጀ። ልኡል ፊሊፕ ሓይሎም ኣብ ማሕበራዊ ንጥፈታት ኣድሃበ - ብዙሕ ጊዜ ኣብ ማዕረ'ቶም ኣብ ሕብረተሰብ ዉሩያት አዕሩኽቶም ኰይኖም ይስኣሉ ነበሩ። ንግስቲ ኤልሳቤጥ ስም እንዳ ንጉስ ኣብ ክንዲ ማውንትባተን ዝኸውን ዊንሰር ክኸውን ኣሎዎ ኢለን ምስ ኣዘዛ ንልኡል ፊሊፕ መሪር መቅጻዕቲ ተሰምዖም። ሓደ መዓልቲ \"ኣብዚ ሃገር'ዚ ኣነ ንበይነይ ንደቀይ ስመይ ከውርሶም ዘይክእል ሰብ'የ\" ክብሉ ምስ ሓድ-ሓደ አዕሩኽቶም ኣማረሩ። ከም ወላዲ መጠን ልኡል ፊሊፕ ንቕጽ ዝበሉ፡ ከም ሓውሲ ስምዒተ-ኣልቦ ኰይኖም ክረኣዩ ይኽእሉ'ዮም። ጆናታን ዲምቢልቢ ከም ዝበሎ፡ ዛንታ ናይ ልኡል ቻርለስ ዝጸሓፈ - ወራስ ዓራት - \"ልኡል ፊሊፕ ንዉላዶም ኣብ ቅድሚ ሰብ ኣዐርዮም ይገንሕዎም ስለ ዝነበሩ ብኽያቶም ዝሰዓሮም እዋን ነይሩ'ዩ\" ይብሉ። ርክብ ናይ ኣቦን ቦኽሪ ዉሉድን ቀሊል ኣይነበረን። ሓደ ካብ'ቶም ደረኽቲ ዝንባሌታት ናይ ልኡል ፊሊፕ ክንክን መንእሰያት ነበረ - ብ 1956 እቲ ድርኺት'ቲ ነቲ ህቡብን ዕዉትን ብ\" ብልጫ መስፍ ነ - ኤ ዲንብ ራ \" ዝፍለጥ ሬድኤታዊ ትካል መበገሲ ዀኖ። ኣብ ዝሓለፉ ሓያሎ ዓመታት እቲ ማሕበር ንሽድሽተ ሚልዮን ዝኣኽሉ መንእሰያት ዓለም - ንዝሰንከሉን ዘይሰንከሉን ብሓባራ፡ 15-25 ዝዕድሚኦም መንእሰያት - ንነብሶም ክብድሁሉ ኣብ ዘኽእሎም ንጥፈታት መሮር ኣሳቲፎም'ዮም። እቶም ንጥፈታት ኣብ ስራሕ-ጋንታነት (ሓቢርካ ናይ ምስራሕ) ፡ ብልሓተኝነት ኰነ ክብሪ-ተፈጥሮ ዘትኰሩ'ዮም። ልኡል ፊሊፕ ብርሱን ስምዒት ንእንስሳ መሮር ኰነ ኣካባቢና ዝሕለቑ ሰብ'ዮም። ዘሎዎም ዓቕምን ጽልዋን ን \"ዎርልድ ዋይልድ ላይፍ ፋንድ\" (ርሾ እንስሳ መሮር) ከሐይሉ ጽዒሮም'ዮም - ጸኒሑ ዕላማ ናይቲ ማሕበር ናብ \" ዎርልድ ዋይ ል ድ ፋንድ ፎር ነ ቸር \" ኣድሃበ - ንተፈጥሮ ዓለም ዚሕግዝ ማሕበር ረዲኤት። ንሶም ከኣ ፋልማይ ፕረሲደንት ናይቲ ማሕበር ክዀኑ ተመዘዙ። ንጋዜጠኛ ቢ.ቢ.ሲ. ከም ዝበልዎ፡ \"ኣነ ከም ዝመስለኒ ንሕና ደቂ ሰባት ናይ ሞትን ህይወትን ሓይሊ ካብ ሃለወና - ወይ ከኣ ናይ ብርሰትን ህላወን - ኣብ እንዶ ሞራል ረጊጽና ከነተግብሮ ዚግብኣና ሓላፍነት ኣሎና ማለት'ዩ። ንምንታይ ኢና ነብርስ - ምብራስ ዘየድሊ ክነሱ?\" ብግሁድ ምዝራብ ሓድሓደ እዋን እቲ ቅሉዑን ደርጓሕን ባህሪኦም ኣብ ሽግራት ኣውዲቑዎም'ዩ። ኵነታት ኣጠዓዒሞም ብዘይምምዛኖም ፍሉጥ'ዮም፡ ምናዳ'ኳ ኣብ ወጻኢ ሃገር። ብ1986፡ ንንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣሰንዮም ንቻይና ኣብ ዝኸድሉ እዋን ጕድ ሰሪሖም - ሓደ ናይ ግሎም ትዕዝብቲ ንአዒንቲ ቻይናውያን ዝእምት \"ጨዳድ አዒንቲ\" ዚብል ዘረባ ሞሎቖም። እቲ ዘረባ ኣብ ጋዜጠኛታት በጽሐ፡ ብዙሕ ከኣ ተዘርበሉ፣ ቻይናውያን ግን ዕሽሽ በሉዎ። ብ2002፡ ዑደት ኣብ ኣውስትራልያ ዝገበርሉ እዋን፡ ንሓደ ኣቦሮጂናዊ ነጋዳይ \"ጌና ጭማራ ንሓድሕድኩም ትዳራበዩ'ዶ ኣሎኹም?\" ዚብል ዘረባ ሞሎቖም። ብሓደ ወገን ብዙሓት ዝውቕስዎም ሰባት ነይሮም፡ ብኻልእ ድማ ዝእውዶም ሰብ ዘይብሎም፡ ጸቢብ ዝኣረኣእዮም፡ ድላዮም ዝዛረቡ - ፖለቲካዊ ልክዕነት ዘየኽብሩ ምዃኖም - ይዝረበሎም። ከም ሓቁ ግን፡ ብዙሓት ሰባት ነቶም \"ምላቝ ዝረባታት\" ብኽፍኣት ዘይኰነስ ንኵነታት ከደሳድሱን ንመዛርብቶም ከዛንዩን ክብሉ ዝመልቑዎም'ዮም ይብሉ። ዓመትት ክስጕሙ ንስጕምቲ ልኡል ፊልፕ ኣየዝሓሎምን። ልኡል ፊሊፕ፡ ኣብ ምሉእ ህይወቶም ብስፖርት ምሱጥ ነበሩ። ምጋሽ ይፈትዉ ነበሩ - ንትካሎም \"ርሾ ተፈጥሮን እንስሳ መሮርን\" ክብሉ፡ ወይ ከኣ ንንግስቲ ኤልሳቤጥ ከሰንዩ ኣብ ምሉእ ዓለም ዞሩ። ብ1994 ንክሳለሙ ናብ ንእየሩሳሌም በጽሑ - ብኡ ኣቢሎም ከኣ መቓብር ኣዲኦም ክበጽሑ። ኣብ እየሩሳሌም ንኽቕበራ ምንዮተን ነበረ። ምንዮተን ከኣ ተማላኣለም። ብ1995፡ ኣብ መበል ሓምሳ ዓመት ጽንብል ዓወት ኣብ ልዕሊ ጃፓን (ቪ.ጀይ. ደይ) ሓደ ልቢ ዚትንክፍ ጕዳይ ተላዕለ። ልኡል ፊሊፕ: ጃፓን ኢዳ ኣብ ዝሃበትሉ ኣዋን ኣብ ሃዳኒት-መርከብ (ዲስትሮየር) ኣብ ወሽመጥ ቶክዮ'ዮም ነይሮም፣ ኣብ ዝኽረ-ዓመቱ፡ ምስ ካልኦት ገደይም ዘመተ ናይ ርሑቕ-ምብራቕ ኰይኖም ኣብ 'ዘ ሞል' - ብቅድሚ ንግስቲ ኤሳቤጥ ብሰልፊ ሓለፉ። ድሓር ግን፡ ብዕድመ እናደፍኡ ምስ ከዱ፡ ምናዳ ዳያና፡ልእልቲ ናይ ወይልስ፡ ምስ ሞተት፣ ኣቕዋም ህዝቢ ስለ ዝተለወጠ እቲ ገራጭ ዘረብኦም እናዘሓለ ከደ። ሙሓመድ ኣል ፋየድ፡ ኣቦኡ ን ዶዲ - ናይ ዳያና ዓርኪ ዝነበረ - ንልኡል ፊልፕ ከሰሶም - ብትእዛዞም'ያ ዳያና ተቐቲላ ዚብል ክሲ። መርመርቲ ሬሳ ጨሪሶም ነቲ ክሲ ነጸግዎ። ብ2007 ልኡል ፊሊፕ ምስ ልእልቲ ዳያና ዝተጸሓሓፍዎ ደብዳቤታት ከም ዝምስክርዎ ንሰይቲ ወዶም ይጻብኡዋ ነይሮም ዚብል ክሲ ዘፍሽሉ ነበሩ። እቶም ደብዳቤታት፡ ብኣንጻሩ፡ ንዳያና ዓቢ ምንጪ ቅሳነት ከም ዝነበሩ ይምስክሩ፣ እቶም ዳያና ዝጸሓፈቶም ድማ ሙዉቕ ቃና ከም ዝነበሮም የርእዩ። ልኡል ፊሊፕ፡ መስፍን ናይ አዲንብራ፡ ብተፈጥርኦም መራሒ'ዮም፣ ግናኸ እቲ ዝተሰከምዎ ሓላፍነት ናይ መራሒ ዘይኰነስ ናይ ምኽትል ሓላፊ ነበረ። ተቓላሳይ ባህሪ ሃልዪዎም ክነሶም በቲ ዝተመዘዝሉ ሓላፍነት ኣጽኒዖም ክሕዙ ብጥንቃቐ ኸኣ ክመላለሱ ንነብሶም ይግድድዋ ነበሩ። ንዅን'ምበር እቲ ስልጣኖም ተጠቒሞም ኣብ ሓብረተሰብ ዓባይ ብሪጣንያ ዓቢ ኣበርክቶ ገበሩ። እቲ ዝዓበየ ፍረ-ዕዮኦም፡ ብዘይ ገለ ጥርጥር፡ እቲ ኣብ ጐኒ በዓልቲ ቤቶም ኰይኖም፡ ብጽንዓት፡ ንኣዝዩ ነዊሕ ዓመታት ንንግስነት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዝሃቡዎ ደገፍ'ዩ። ኣብ እዋን ጽንብል ወርቃዊ ዝክረ-ዓመት መርዕኦም፡ ንግስቲ ኤሳቤጥ ንበዓል-ቤተን ግሩም ዝዀነ ተግባረ-ክብሪ ኣቕረባ - ኣብ ታሪኽ ዓባይ ብሪጣንያ እቲ ዝነውሐ እዋን ጽኑዕ ዓጃብ ንጉሳዊ ቤተ-ሰብ ምዃኖም። \"ናእዳ ብቐሊሉ ዘይቅበል'ኳ ይዅን ምንጪ ሓይሊ ህላወይ ኰይኑ ንነዊሕ ዓመታት ምሳይ ደው ኢሉ'ዩ። ብስመይን ምሉኣት ስድራ-ቤትናን ፡ ኣብዝን ወጻእን ዘሎኹምን፡ ብጽቡቕ ንኽንፈድዮ ግዴታ ኣሎና።\"","category":"ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-44322911"} {"headline":"ጉዕዞ ህይወት ንግስቲ ኤልሳቤት ዳግማዊት ብስእሊ","content":"ጉዕዞ ህይወት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ኣቓልቦ ህዝቢ ዝስሕብ እዩ ነይሩ። እዞም ስእልታት ካብ ህጻንነተን ክሳዕ ንብሪጣንያ ንዝነውሐ እዋን ንግስቲ ኮይነን ዘገልገላሉ ዘበናት ዘመልክቱ እዮም።","category":"ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-62846631"} {"headline":"ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ከምዝዓረፋ ቤተንግስነት ባኪንግሃም ኣፍሊጡ","content":"ን70 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሓ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ መበል 96 ዓመተን ዓሪፈን። ብሓሙስ፡ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ፡ ሓካይም፡ ኩነታት ጥዕና እተን ንግስቲ ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ከምዘሎ ድሕሪ ምግላጾም፡ ኣባላት ስድራቤተን ኣብ መንበሪ ገዝአን ተኣኪቦም ኔሮም። እተን ንግስቲ ኣብ 1952 እየን ናብ ዙፋን ደዪበን። በኹሪ ወደን፡ ልኡል ዌልስ፡ ቻርለስ፡ ንጉስ እታ ሃገርን መራሒ ሃገር 14 ኣባላት ሓባራዊ ሃብትን ክኸውን እዩ። ቤተንግስነት ባኪንግሃም ፓላስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ንግስቲ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ባልሞራል ብሰላም ዓሪፈን” ኢሉ። ባልሞራል፡ ኣብ ስኮትላንድ ዝርከብ ተወሳኺ መንበሪአን'ዩ። “ንጉስን በዓልቲ ቤቱ ንግስቲ ካሚላን ሎሚ ምሸት ኣብ ባልሞራል ጸኒሖም ጽባሕ ናብ ለንደን ክምለሱ እዮም” ክብል እቲ መግለጺ ጠቒሱ። \"ብዜና ዕረፍቲ እታ ኣዝያ ፍቕርቲን ተፈታዊትን ንግስቲ ዓሚቚ ሓዘን ይስመዓና። ሞታ ኣብ መላእ እታ ሃገር፡ ግዝኣታት ኮመን ዌልዝ፡ ከምኡ'ውን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ዓሚቚ ሓዘን ክፈጥር ምዃኑ እፈልጥ'የ\" ክብል እቲ ሐድሽ ንጉስ ሓዘኑ ገሊጹ። ሓካይም፡ ንግስቲ ኣብ ሕክምናዊ ክትትል ክጸንሓ ድሕሪ ምውሳኖም ኩሎም ደቀን ናብ ቤተንግስነት ባልሞራል ከምዝተጉዓዙ ተፈሊጡ። ወዲ ወደን ልኡል ዊልያም ’ውን ኣብኡ ክርከብ እንከሎ ሓዉ ልኡል ሃሪ ድማ ኣብ መገዲ ምንባሩ ተገሊጹ ኔሩ። ብሰሉስ ሽመታ ካብ ንግስቲ ዝተቐበለት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሊዝ ትራስ ብወገና፡ ንግስቲ ኤልሳቤጥ \"ዘድልየና ምርግጋእን ሓይሊን ሂባትና'ያ\" ክትብል ሓዘና ገሊጻ። ወደን፡ ግርማዊ ቻርለስ፡ ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ ተባሂሉ ከምዝጽዋዕ'ውን እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኣፍሊጣ። ኣብ ፊት ቤትጽሕፈታ (10 ዳውኒን ስትሪት) ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ነቲ ሓድሽ ንጉስ \"ከምቲ ወላዲቱ ንብዙሓትን ንነዊሕ እዋንን ዘርኣየትና ተወፋይነት፡ ንዕኡ ዘለና ደገፍን ተወፋይነትን ንገልጸሉ\" ኢላ። \"ኣብዚ ዘመነ ካልኣይቲ ኤልሳቤጥ ዝሓልፈሉ ዘሎ እዋን፡ ከም መቐጸልታ ዘገርም ታሪኽ ዓባይ ሃገርና ሓድሽ መዋእል ንቕበል ኣለና። ከምቲ እታ ግርማዊት ንግስቲ ትጽበየና ድማ፡ 'ፈጣሪ ንንጉስና ይሓሉ' ዝብላ ቃላት ነውስእ\" ኢላ። ዘመነ ንግስነት ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ ከም መራሒት ሃገር፡ ነቲ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝነበረ ጽንኩር ቁጠባዊ እዋን፡ ካብ ኢምራጦርያ ናብ ኮመን ዌልዝ ዝነበረ ምስግጋር፡ ምውዳእ ዝሑል ኲናት፡ ከምኡ'ውን፡ ምጽንባርን ምውጻእን ናብን ካብን ሕብረት ኣውሮጳ ዝሓለፈ'ዩ። ንግስነተን፡ ኣብ ብሪጣንያ፡ ካብቲ ኣብ 1874 ዝተወለደ ዊንስተን ቸርቺል ክሳብታ ድሕሪ 101 ዓመት ኣብ 1975 ዝተወለደት ሊዝ ትራስትን ዝነበሩ 15 ቀዳሞት ሚኒስተራት ዝረኣየ'ዩ። ኣብ ምሉእ ዘመነ ንግስነተን ድማ፡ ኣብ ሰሙን ሓንሳብ ምስቶም ቀዳሞት ሚኒስተራት ይራኸባ ነይረን። ኩነታት ጥዕናአን ንምፍላጥ ኣብ ፊት ናይቲ ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ለንደን ዝርከብ ቤተንግስነት ባኪንግሃም ዝተኣኻኸቡ ሰባት፡ ሕልፈተ-ሂወተን ምስ ሰምዑ ክበኽዩ ተራእዮም። ስነስርዓት-ቀብረን ኣብ ዝመጽእ ክልተ ሰሙን ክፍጸም ትጽቢት ይግበር። ዝመጽእ መዓልታት፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንቡር ሂወት ደስኪሉ ክቕኒ'ዩ። ንግስቲ ኤልሳቤጥ 21 ሚያዝያ 1926 ኣብ መይፈይር ለንደን ዝተወለዳ ኮይነን፡ ኤልሳቤጥ ኣለክሳንድራ ሜሪ ዊንድሶር ዝተውሃበን መጸውዒ ሽም ነይሩ። ኣብ ቁልዕነተን ንግስቲ ክኾና ከምዝኽእላ ዝገመቱ ብዙሓት ሰባት ኣይነበሩን፤ ኣብ ታሕሳስ 1936 ግና ኣኮአን ዝነበረ ንጉስ ኤድዋርድ ሻምናይ፡ ነታ ክልተ ግዘ ዝተፋተሐት ኣመሪካዊት ዋሊስ ሲምፕሰን ንምምርዓው ኢሉ ንግስነቱ ገዲፉ። ነዚ ስዒቡ ኣቦአን ንጉስ ጆርጅ ሻድሻይ ተባሂሉ ክቕባእ እንከሎ፡ ላሊቤት ተባሂለን ዝጽወዓ ዝነበራ ልእልቲ ኤልሳቤጥ ድማ ኣብ 10 ዓመተን ወራሲት ዘውዲ ኮይነን። ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ብሪጣንያ ምስ ጀርመን ናብ ኲናት ኣትያ። ንሰንን ሓፍተን ልእልቲ ማርጋሬትን ናብ ካናዳ ክውሰዳ ዝቐረበ ሓሳብ ወለደን ስለዘይተቐበልዎ፡ እቲ ናይ ኲናት እዋን ኣብ ቤት ንግስነት ዊንድሶር እየን ኣሕሊፈነኦ። 18 ዓመት ምስመለአን ድማ ምዝዋርን ጽገናን መኪና ተማሂረን ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ሰራዊት ኣገልጊለን። ኣብ እዋን እቲ ኲናት ናይ ርሑቕ ዘመደን ምስዝነበረን ኣብ ሮያል ኔቪ ዘገልግል ዝነበረን ልኡል ግሪክ፡ ፊሊፕ፡ ደብዳበ ይጸሓሓፋ ነይረን። ፍቕራዊ ርክቦም ዓምቢቡ ድማ 20 ሕዳር 1947 ኣብ ዌስትሚነስተር ኣበይ ተመርዕዮም። ቦኽሪ ወዶም ልኡል ቻርለስ ኣብ 1948 ዝተወለደ ኮይኑ ልእልቲ ኣኒ ኣብ 1950፣ ልኡል ኣንድሪው ኣብ 1960፣ ልኡል ኤድዋርድ 1964 ተወሊዶም። ሞት ኣቦአን ንጉስ ጆርድ ሻድሻይ ኣብ 1952 እንትስማዕ ልእልቲ ኤልሳቤጥ ንወላዲአን ወኪለን ኣብ ኬንያ ነይረን። ሽዑ ሓዳስ ንግስቲ ኮይነን ናብ ዓደን ብቕልጡፍ ተመሊሰን። ኣብ 27 ዓመተን 2 ሰነ 1953 ኣብ ዌስትሚኒስተር ንግስቲ ኮይነን ዝተቐበኣ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ ነቲ ስነ ስርዓት ልዕሊ 20 ሚልዮን ሰባት ብቴሌቪዥን ተኸታቲሎምዎ። ንሕብረት ሓበራዊ ሃብቲ ብዝነበረን ተገዳስነት ዝምስገና እተን ንግስቲ ፡ ብውሑድ ሓደ ግዘ ኣብ ሕድሕድ ኣባል ሃገር በጺሐን እየን።","category":"ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyedk41dx2xo"} {"headline":"ዜና ዕረፍቲ፡ ግርማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት","content":"ቀንዲ መለለዪ ናይቲ ነዊሕ ዘመነ-ንግስነት ንግስቲ ኤሳቤጥ ዳግማዊት፡ እቲ ሓያል ርድኢት ሓላፍነተን ኰነ ቆራጽነተን: ህይወተን ንዙፋንን ንህዝበንን ዘበርከትኦ ተወፋይነት'ዩ። ንንግስነት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ዋላ'ውን ኣብ እዋን ሽግር፡ ኣብ ምክንኻኑ ዝተጐናጸፍኦ ዓወት ዓቢ'ዩ። ይዅን'ምበር ኣማጽእአን ብርቂ ዝገበሮ ምኽንያት ምስ ተወለዳ ኣብ ንግስነት መጺአን እቲ ዙፋን ከኣ ዕጫአን ክኸውን'ዩ ኢሉ ኣቐዲሙ ዝተገንዘበ ሰብ ከቶ ኣይነበረን። ኤልሳቤጥ ኣለክሳንድራ መሪ ዊንድሰር፡ ኣብ ለንደን ብ 21 ሚያዝያ 1926 'የን ተወሊደን። ንሰን ቦዅሪ-ጓል ኣልበርት፡ መስፍን ናይ ዮርክ እየን - ማለት ካልኣይ ወዱ ንንጉስ ጆርጅ ሓሙሻይ። ኣዲአን ድማ እተን ኣቐዲመን ብእመቤት ኤልሳቤጥ ቦወስ-ልዮን ዝፍለጣ'የን። ኤልሳቤጥ ኰና ማርገረት ሮዝ፡ እተን ብ1930 ዝተወልዳ ንእሽቶ ሓብተን፡ ኣብ ቤተን ኰይነን'የን ተማሂረን። ምእንቲ ምስ ካልኦት መዛኑአን ኣዋልድ እናተራኸባ ክዓብያ ድማ፡ ሓደ ፍሉይ ብ\"መራሕ-ኣዋልድ\" (ገርል-ጋይድ) ዝፍለጥ ማሕበር ደቂ'ንስትዮ - ምስ ኣህጕራዊ ምንቅስቓስ ስካውት ዝተኣሳሰረ ማሕበር - ኣብ ቤተ-መንግስቲ ባኪንግሃም ተተኽለ። ካብ ብንእሽትአን ጀሚሩ፡ ኤልሳቤጥ ጉሉሕ ምርዳእ ሓላፍነት የርእያ ከም ዝነበራ ይንገረለን። ዊኒስተን ቸርቺል፡ ድሒሩ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝዀነ፡ ብዛዕብአን ከምዚ ዝስዕብ ከም ዝበለ ይንገረሉ፡ - \"ኣብ ማንም ቆልዓ ዘይርአ ፍሉይ ግርማዊ መዚ ነይሩወን\"። እናገደደ ዝኸደ ወጥሪ ብ1936 ፣ ንጉስ ጆርጅ ሓሙሻይ ኣብ ዝሞቱሉ እዋን፡ ቦኽሪ ወዶም - ደይቪድ - ኤድዋርድ ሻሙናይ ዝብል ንጉሳዊ ስም ለቢሶም ኣብ ንግስነት መጹ። ይዅን'ምበር፡ እቶም ንጉስ በዓልቲ-ቤቶም ንክኾና ዝመረጽወን ሰብ ኣብቲ ማሕበረ-ሰብ ንግስነት ኣማታኢ ጕዳይ ኰነ። በዓልቲ ቤቶም - ኣሜሪካዊት ዋሊስ ስምፕሶን - ፍትሕቲ ስለ ዝነበራ ብፖለቲካውን ሃይማኖታውን ሸነኻት ቅብልቲ ኣይነበራን። ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዓመት ድማ ንጉሳዊ ስልጣኖም ለቐቑ። ኣልበርት፡ መስፍን ናይ ዮርክ፡ ብዘይ ድልየቶም ጆርጅ 6ይ ዝብል ንጉሳዊ ስም ለቢሶም ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ ዀኑ። ኣብቲ እዋን'ቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝነበረ ናዕቢ ንዅነታቶም ይህውኽ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ሓድሽ ንጉስ፡ ምስ በዓልቲ ቤቶም ንግስቲ ኤልሳቤጥ (ኣዲአን ንንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ማለት'ዩ) ከይኖም ህዝቢ ኣብ ንግስነት ዝነበሮ እምነት ንኽምለስ ጸዓሩ። እቲ ዘርኣይዎ ኣርኣያነት ድማ ኣብ ቦኽሪ ጓሎም ዓሰለ። ኣብ 1939፡ እታ 13 ዓመት ዝዕድሚኣ ንግስቲ ንኣቦኣን ኣዲኣን ናብ \"ሮያል ነይቫል ኮለጅ\" \/ ዘውዳዊ ኮለጅ ሓይሊ-ባሕሪ ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን ኣሰነየቶም። ኣብኡ ንኤልሳቤጥን ማርጋረትን፡ ንእሽቶ ሓፍታ፡ ብሓደ ካደት ተዓጂበን ኣተዋ - ብልኡል ፊሊፕ ናይ ግሪኽ። ምስ ልኡል ፊሊፕ ንመጀመርታ እዋን ኣይኰኑን ተራኺቦም፣ ግናኸ ንመጀመርታ እዋን ተገዳስነት ዘርኣያሉ እዋን ነበረ። ልኡል ፊሊፕ፡ ካብ ሓይሊ ባሕሪ ንዕረፍቲ ኣብ ዝኸድሉ እዋን፡ ብንጉሳውያን ቤተ-ሰብ ኣቢሉ ብውግዒ ብዛዕባ ኤልሳቤጥ ክሓትት ጀመረ። ኣብ 1944፡ ኤልሳቤጥ፡ 18 ዓመት ምስ መልአት፡ ፍቕራ ከተግህዶ ጀመረት። ስእልታቱ ኣብ መደቀሲኣ ብምሕባእን፣ ብምስጢር'ውን ደብዳቤታት ይለዋወጡ ነበሩ። ኣብ ኣጋ ምውዳእ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ጐርዞ ኤልሳቤጥ ኣብ \"ተወሳኺ ግዝኣታዊ ኣገልግሎት\" (ኦክዚለሪ ተሪቶርያል ሰርቪስ) ብምእታው ምዝዋር ዓባይ ማኪና ተማህረት። ድሕሪ'ቲ ዉግእ ንልኡል ፊሊፕ ንምምርዓው ዝነበራ ድልየት ሓደ-ሓደ ሽግራት ዓገቱዎ። እቲ ንጉስ ነታ ኣሐንቂቖም ዘዕበይዋ ጓሎም ንሓደ ንኸመርዕዉዋ ሰገጥ በሉ፡ ልዑል ፊሊፕ ግዳይ ቅድም-ፈረድ ንጉሳዊ ትካል ኰኑ - እቲ ምኽንያት ድማ ናይ ወጻኢ ትውልዲ ስለ ዝነበሮ እዩ። እቲ ድልየት ናይ ክልቲኦም ሓያል ስለ ዝነበረ ነቲ መሳናኽል ዓብለሎ - ብ20 ሕዳር 1947 ድማ ኣብ ዌስትሚኒስተር-ኣቢ ተመርዓዉ። ልኡል ፊሊፕ፡ መስፍን-አዲንብራ ዚብል መጸዋዕታ ተቐበሉ፣ ኣገልግሎቶም፡ ከም መኰነን ሓይሊ ባሕሪ ግን ቀጸለ። ንሓጺር እዋን፡ ብዉሑዱ፡ እቶም መርዓዊ ኣብ ማልታ ተመዲቦምሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ምስ መርዓቶም በይኖም ኰይኖም ብመጠኑ ናይ ተራ ሰብ ናብራ ከስተማቕርዎ ከኣሉ። ቻርለስ፡ እቲ ቦኽሪ ወዶም፡ ኣብ 1948 ተወልደ፣ ብድሕሪኡ ኣን ጓሎም ኣብ 1950 ተወልደት። እቶም ንጉስ፡ ኣቦ ኤልሳቤጥ ግን፡ ብግዜ ውግእ ኣዝዮም ሓጸልጸል ኢሎም ስለ ዝነበሩ፡ ብቐጻሊ ምትካኽ ሽጋራ ዝመጸ ዘይምሕር ሕማም መንሽሮ ሳንቡእ ይሳቐዩ ነበሩ። ብጥሪ 1952፡ ኤልሳቤጥ፡ ኣብ 25 ዕድሜኣ፡ ምስ በዓል ቤታ ንኣቦኣ ብምውካል ንዑደት ንወጻኢ ገይሻ። ኣብ ኬንያ ኣብ ሓደ ሕዛእቲ-ሃድን ከለዋ ሞት ኣቦአን ተርድኣ፡ ብኡ-ንብኡ ሓዳስ ንግስቲ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ኰይነን ንለንደን ክምለሳ ተገደዳ። ብወርሒ ሰነ 1953፡ ኣብቲ ዘውዲ ዝደፍኣሉ እዋን ብተሌቪዥን ተቓልሐ - ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ዙርያ ተለቪዥን ኰይኖም፡ ገሊኦም ንመጀመርታ ጊዜ፡ ነቲ ከም ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ዝገበርኦ ፍጻሜ-ማሕላ ተኸታተልዎ። ካልኣይ ዉግእ ዓለም ንብሪጣንያዊ -ኤምበራጦርያ ኣብ ምውድኡ ገጹ ስለ ዝኸደ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ንነዊሕ እዋን ኣብ ኮሞንወልዝ ሃገራት - ገሊአን'ኳ ድሮ ናጽነተን ተጓናጺፈን ነይረን'የን - ካብ ሕዳር 1953 ጀሚረን ዑደት ፈጸማ። ንግስቲ ኤልሳቤጥ ንመጀመርያ እዋን ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ዑደት ፈጸማ - ብግምት ሰለስተ-ርብዒ ህዝቢ ኣውስትራልያ ብኣካል ንኽርእዩወንን ክቕበልወንን ወጹ። ኣብ 1950'ታት ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣብ ትሕቲ ግዝኣትን ቍጽጽርን ዓባይ ብሪጣንያ ዝነበራ ሓደ-ብሓደ ባንዴራ እንግሊዝ ከውርዳ ጀመራ፣ ከም ሓደ ስድራ-ቤት ከኣ ሓድሽ ማሕበር ብፍቓደን ኣቖማ። ብዙሓት ፖለቲከኛታት፡ እቲ ሓድሽ ማሕበር 'ኮሞንወልዝ' ነቲ ሽዑ መልክዕ ኤውሮጳዊ ቍጠባዊ ሕብረት ሒዙ ክበቍል ዝጀመረ ማሕበር ዚምክት ዓቕሚ፡ ዋላ'ኳ ብመጠኑ ይዅን፡ ክህልዎ ይኽእል'ዩ ኢሎም ብምሕሳብ ፖሊሲታት ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ክፍለ-ዓለም ኤውሮጳ ከም ዘልግስ ገበሩ። ጽልዋ ዓባይ ብሪጣንያ ከኣ ብናይ 1956 ሕንፍሽፍሽ ስዊዝ ምንቍልቋል ክቀላጠፍ ጀመረ። ብጕዳይ መትርብ ስዊዝ ዝተበገሰ፡ ሃገራውነት ግብጺ ንምቍጽጻር ዝተወስደ ስጕምቲ - ወተሃደራት ብሪጣንያ ንግብጺ ምስዳድ ዝተወስደ ዉሳኔ ብምንስሓብ ስለ ዝፈሸለ፡ ብስንብታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኢድን ተሰነየ። ምስ ጊዜ ምጕዓዝ ኣብ መወዳእታ 1960'ታት ቤተ-መንግስቲ ባኪንግሃም ሓደስቲ ስጕምትታት ንምትእትታው ተበገሰት። እቲ እናሓደረ ንጉሳዊ ቤተ-ሰብ እናተባህለ ክጽዋዕ ዝጀመረ ክቱር ወግዓውነት ንግስነት ንምፍኳስ ለውጥታት ምትእትታው ጀመረ። እቲ ዉጽኢት ናይዚ ተበግሶ ብሓድሽ ነግሒ ዝቐደደ ኣቀራርባ፡ ንጉሳዊ ቤተ-ሰብ ዘርእስቱ ፊልም ተቐርጸ። ቢቢሲ ንቤተ-ሰብ ዊንሰር ኣብ ቤቶም ዉሽጢ ብምእታው ክስእል ከኣለ። እቲ ቤተ-ሰብ ኣብ ግዳም ስጋ እናጠበሱ፡ ገረብ-ልደት እናሰለሙ፡ ንቈልዑ ብመኪና ከበጻጽሑ - ስርሓት ተራ ሰባት ክሰርሑ፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ምርኢት ኰነ። ብ1977፡ ብእዋን ብሩራዊ ኢዮበልዩ- ንዝኽሪ መበል 25'ዊ ዓመት ንግስነት ንግስቲ ኤልሳቤጥ - ብዉዕዉዕ ስምዒት ዝመልኦ ናይ ጽርግያ በዓላት ይዅን ብኣብ ፈቐድኡ ዝተኻየዱ ጽንብላት ተኸቢሩ ወዓለ። ንጉሳዊ ቤተ-ሰብ ናይ ህዝቢ ፍቕሪ ምስኦም ምህላዉ ብምፍላጥ ቀሰኑ - ምንጪ ናይቲ ፍቕሪ'ቲ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ምዃነን'ውን ተራእየ። ክልተ ዓመት ጸኒሑ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ብፋላመይቲ ጓል'ንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚንስተር ተቦኰረት። ኰይኑ ግን ሓድ-ሓደ እዋን ርክባት ናይ ክልቲአን- መራሒት መንግስትን መራሒት ሃገርን - ምዕሩይ ከም ዘይነበረ ይዝረበሉ ነበረ። እቲ ምንጪ ናይቲ ጸገም ንግስቲ ኤልሳቤጥ ሓላፊት ናይ ኮሞንወልዝ ስለ ዝነበራ ንስርሐን ዉፍይቲ፡ ንዅሎም መራሕቲ ኣፍሪቃ ኸኣ ብቀረባ ስለ ዝፈልጣኦም ሽግሮም'ውን ይርድአን ነበረ። ናይ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ታቸር ኣቃጫጭ ኰነ እቲ ተፋጣጢ ቅዲ ኣቀራርባ ይድንጽወን ነበረ፣ ብፍላይ'ኳ ታቸር ነቲ ኣብ ልዕሊ ዓሌታዊት ደቡብ ኣፍሪቃ እተወስደ ማዕቀባዊ ስጕምቲ ብምጽራረን። ካብ ዓመት ናብ ዓመት ናይ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ህዝባዊ ሓላፍነት ቀጸለ። ድሕሪ ናይ 1991 ኲናት ወሽመጥ- መንግስቲ እንግሊዝ ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብምድጋፍ ኩዌት ሓራ ንምውጻእ ኣንጻር ዒራቕ ዝተኻፈልቶ ዉግእ - ንግስቲ ኤልሳቤጥ ንኣሜሪካ ክበጽሓ ከዳ። ኣብ ቅድሚ ናይ ሓባር ኣኼባ ባይቶ (ኮንግረስ) ኰይነን መደረ ኣስምዓ - እዚ ዝዀነሉ ካብ ንጉሳዊ ቤተ-ሰብ ንመጀመርታ ጊዜ'ዩ ። ፕረሲደንት ጆርጅ ቡሽ \"ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዓርኪ ናጽነት ምዃነን ካብ ነዊሕ እዋን ኢና ንፈልጥ\" ክብሉ ድማ ኣመጐስወን። ዓመት ጸኒሑ ብተኸታታሊ ገለ-ገለ ዘጕህዩ ጕዳያትን ሃንደበታውያን ጸገማት ንንጉሳዊ ቤተ-ሰብ ክነኽኦም ጀመረ። ካልኣይ ወደን ንንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ መስፍን ናይ ዮርክ፡ ካብ ብዓልቲ ቤቱ - ሳራ - ክፈላለዩ፡ ሓዳር ናይ ጓለን - ልዕልቲ ኣን - ካብ ሰብኣያ ማርክ ፊሊፕስ - ብፍትሕ ክፈላለዩ፡ ጸኒሑ ድማ ልዑልን ልዕልቲ ናይ ወይልስ 'ውን ሓዳሮም ተበተነ። ኣብ ዉሽጢ'ቲ ዓመት እቲ ዝፈትወኦ መንበሪ ቤተን- ህንጻ ዊንሰር - ብሓዊ ተባርዐ። እቲ ባርዕ ከም ሓደ ኣብ'ቲ ዉሽጢ ቤተ-መንግስቲ ዝነበረ ሕንፍሽፍሽ ዝእምት ምልክት ተወስደ። ኣብ መንጎ ህዝቢ ድማ ሓደ ዓቢ ምፍሕፋሕ ዝነበሮ ክትዕ ተፈጥረ - ወጻኢታት ናይቲ ብባርዕ ዝዓነወ ህንጻ መን ይሸፍኖ - ገባራይዶ ወይ ንግስቲ ኤልሳቤጥ? ንግስቲ ኤሳቤጥ ን1992 \"ኣኑስ ሆሪቢልስ\" - እቲ ዝኸፍአ ዓመት - ኢለን ሰምየንኦ። እቲ ንጉሳዊ ቤተ-ሰብ፡ ኣብ ክንዲ ኣደዳ ተጻራሪ መድያ ዝኸውን፡ ንህዝቢ ምኽፋቱ ከም ብሓይሽ ተገንዘባ። ባኪንግሃም ፓላስ ንበጻሕቲ ከም ዝኽፈት ተገብረ - እቲ እትዋቱ ድማ ንመዐረዪ ህንጻ-ዊንሰር ክኸውን ተወሰነ። ንግስቲ ኤልሳቤጥን ወደን፡ ልኡል ቻርለስ - ወራስ-ዓራት - ካብ ኣታዊ-ወፍሪ ቀረጽ ከም ዝኸፍሉ ኸኣ ተሓበረ። ኣብ ግዳማዊ ስርሓት፡ እቲ ኣብ ዘመነ-መግዛእተን ንኮሞንወልዝ ተነቢሩሉ ዝነበረ ልዑል ትጽቢት ከም ዝድለ ኣይኰነን፣ ዓባይ ብሪጣንያ ነቶም ናይ ቀደም ኣዕሩኽታ- ንሃገራት ኤውሮጳ ዝሓሸ ኣተሓሕዛ ንምግባር: ሕቘኣ ሃበቶም ። ንግስቲ ኤልሳቤጥ ግን ጥቕሚ ኮሞንወልዝ ካብ ሓሳበን ኣይውጽእኦን፣ ደቡብ ኣፍሪቃ ንኣፓርታይድ ምስ ሓኸኽዎ ኣዝየን ተደሰታ። ነቲ ጕዳይ ንምብዓሉ ድማ ብመጋቢት 1995 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዑደት ፈጸማ። ዳያና፡ ልእልቲ ወይልስ ብነሓሰ 1997 ኣብ ፓሪስ ብናይ መኪና ሓደጋ ምስ ሞተት ዝገደደ ሽግር ተረኽበ፣ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካብ ህዝቢ ክሲ ቀረበ። ህዝቢ ኣብ ለንደን ዝርከብ ቤተ-መንግስቲ ዕጉግ ኢሉ፡ ዕንባባ ንዝኽሪ መዋቲት ከፍስስ ክርአ ንግስቲ ኤሳቤጥ ግን ቅልጥፍ ኢለን ኣይተራእያን - መብዝሕትኡ እዋን ከምዚ ዓይነት ሓዘን ክርከብ ህዝቢ ናብአን ስለ ዘተኵር ከም ቀደመን ኣብ ቦትአን፡ ኣብ ቅድሚት ኰይነን ክመርሓ ኣይተረኽባን። ጸኒሐን ብቀጥታ ዝተፈነወ ንዝኽሪ ሰበይቲ ወደን ድማ መልእኽቲ ኣቕረባ፡ ስድራ-ቤተን ከኣ ንከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ግብራዊ መልሲ ንኸተኣታቱ መብጽዓ ኣተዋ። ኣብ 2002 ኣዲአን ንንግስቲ ኤልሳቤጥ (ንግስቲ ዓባይ) ከምኡ'ውን ልእልቲ ማርጋረት ስለ ዝሞታ ነቲ ኣብቲ ዓመት'ቲ ተወሲኑ ዝነበረ ናይ ኢዩበልያዊ ጽንብል - መበል 50 ዓመት ንግስናአን - ደኰኖ። ይዅን'ምበር፡ ዋላ'ኳ እቲ ደጋጊሙ ዝለዓል ክትዕ - መጻኢ ንግስነት - ኣብ ቦትኡ ሃልዩ ንኢዩበልዩ ንግስቲ ኤሳቤጥ ንኸብዕሉ ሓደ ሚልዮን ዝኣኽሉ ሰባት ኣብ ቅድሚ ባኪንግሃም ፓላስ ተኣከቡ። ብሕዳር 2007 ንግስቲ ኤልሳቤጥን ሰብኣየን ልኡል ፊሊፕን፡ መበል 60 ዓመት መርዕኦም ኣብዓሉ። ብሚያዝያ 2011 ድማ መርዓ ወዲ-ወደን፡ መስፍን ናይ ከይምብሪጅ፡ ምስ ካተሪን ሚድልተን፡ ኣብዓላ። ብ2012 ብእዋን ኣልማዛዊ ኢዮበልዩ - ኣብ ንግስና ዝመጻሉ - ብርክት ዝበሉ ጽንብላት ተኻየዱ። ብመስከረም 2014፡ ስኮትላንድ ናጽነታ ንምርካብ ረፈረንደም ኣብ ዝተገብረሉ እዋን፡ ንንግስቲ ኤልሳቤጥ ፈታኒ እዋን ነበረ። እቲ ውጽኢት ናይቲ ረፈረንደም ምስ ተፈልጠ - ብጸቢብ ጋግ ህዝቢ ስኮትላንድ ምስ ዓባይ ብሪጣንያ ምዃን ይሕሸና ምስ በለ - ሽዑ ዘስምዕኦ መግለጺ በቲ ውጽኢት ከም ዝቐሰና የስምዕ - እቲ ሕብረት ኣብ ቦትኡ ብምህላዉ። ብዕለት 9 መስከረም 2015 ኣብ ታሪኽ ዓባይ ብሪጣንያ እተን ዝነውሐ እዋን ኣብ ዙፋን ኮፍ ዝበላ ንግስቲ ምዃነን ተነግረ - ንንግስና ንግስቲ ቪክቶርያ፡ ዓባይ-ዓባይ-ዓባየን ሓለፍኦ። ብድሕሪኡ፡ ዓመት ከይመልአ፡ ብሚያዝያ 2016፡ መበል 90 ዓመት ልደተን ኣብዓላ፣ ብሕዳር 2017 መበል 70'ዊ ዓውደ-ዓመት መርዐአን ምስ ልኡል ፊሊፕ ኣብዓላ። ዋላ'ኳ ንግስነት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ሓይለ-ንግስነተን ከምቲ ዝጀመሮ ሓያል ኣይኹን፡ ኣብ ልቢ ዜጋታት ዓባይ ብሪጣንያ ብኣኽብሮት ዝልለ ፈቃርን ጥጡሕን ቦታ ሃልይዎ ህላወኡ ከም ዝቕጽል ገይረን'የን። ቅድሚ ሰላሳ ዓመት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝበጽሓሉ ኣጋጣሚ - ዓመት ብሩራዊ ኢዮበልዩ - ዝኣተውኦ መብጽዓ ዘከራ። \"ጓል 21 ዓመት ኣብ ዝነበርክሉ እዋን ንህዝበይ ንኸገልግል መብጽዓ ኣብ ዝኣተኽሉ እዋን ሓገዝ እግዚኣቢሄር ከይፍለየኒ ለሚነ ነይረ። ኣይተፈለየንን ከኣ፣ ኵነታት ናይ ምምዛን ዓቕመይ ክብ ለጠቕ ይበል'ኳ እንተነበረ ካብቲ ዝተመባጻዕኩዎ ሓንቲ ቃል'ኳ ትዅን ንድሕሪት ኣይስሕብን።\"","category":"ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-43643794"} {"headline":"ንግስትን ልኡል ፊሊፕን፡ ንነዊሕ ዝዘለቐ ንጉሳዊ ፍቕሪ","content":"ንልዕሊ ሸውዓተ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዝጸንሐ ሓዳር፡ ልኡል ፊሊፕ ኣብ ኣገዳሲ ሃገራዊ ኣጋጣሚታት ደጋፊ ንግስቲ ክኸውን እንከሎ፤ ብብሕቲ ድማ ዝያዳ ካልእ ሰብ ኣጸቢቑ ዝፈለጣ ንሱ እዩ ነይሩ። ሓደ ውልቃዊ ጸሓፊ ሓደ እዋን ከምዚ ክብል ጽሒፉ፡ “ኣብ ዓለም ንንግስቲ ከም ካልእ ሰብ ዝርእያ እንኮ ሰብኣይ ልኡል ፊሊፕ እዩ”። ኣብ ፍቕሪ ዝተሰረተ ሓዳር እዩ ነይሩ። ንሓድሕዶም ተሓራርዮም። ኣብ 1939 ኣብ ማእከል መሰልጠኒ ሓይሊ ባሕሪ ዳርትማውዝ ክራኸቡ እንከለው፡ ንፈለማ ዝተርኣኣዩሉ ኣጋጣሚ እኳ እንተዘይነበረ፡ እቲ ናይ ሓባር ህይወት ይጅምር ምንባሩ፡ እቲ ሽዑ ዝተወስደ ስእሊ የመላኽት። እቲ ብዛዕባ ጸወታታት ክርኬትን ቴኒስን ዝዋዘ ዝነበረ ሰሓቢ ወዲ 18 ዓመት ሕጹይ መኮነን፡ ኣብ የዒንቲ ጓል 13 ዓመት ልእልቲ ኤልሳቤጥ ኣቓልቦ ረኸበ። እቲ ሌላኦም ምስግዜ ናብ ምሕዝነት በሪኹ፡ ደብዳበታት ክለዋወጡን ኣብቲ እዋን ኲናት፡ ስሕት ኢሎም ክበጻጽሑን ጀመሩ። እቲ ልኡል ኣብ ኣገልግሎት ንጉሳዊ ሓይሊባሕሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እታ ልእልቲ ስእሉ ኣብ ክፍላ ሰቒላ ነይራ። ንእስነት እቲ ልኡል ኣብ ሓደ ቦታ ዝረግአ ኣይነበረን። ኣብ ግሪኽ ተወሊዱ ግና ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣውሮጳ ተሰዲዱ። ነጻ፡ ከም ብሓድሽ ጀማርን ጽኑዕን ክኸውን ነይርዎ። ልእልቲ ዝበዝሕ እዋን፡ ካብቲ ክዉን ዓለም ተዓቝባ፡ ኣብ ርሻናት ቤተንግስነት እያ ነይራ። ብባህሪኣ ሃንደራእ ኢላ ዘይትዛረብ፡ ሓፋርን መስተውዓሊትን’ያ። ንሓድሕዶም ዝማላልኡ እዮም። ወዲወዶም ዝኾነ ልኡል ዊልያም ብዛዕባ ርክቦም ክገልጽ ከሎ ከምዚ ኢሉ “ዝብሎምን ዝገብሮምን ነገራት የስሕቓ እዩ። እቲ ንህይወት ዝርእየሉ መገዲ’ውን ካብ ናታ ዝተፈለየ’ዩ። ስለዚ ክልቲኦም ብሉጻት መጻምድቲ እዮም”። ወላ’ኳ ሓሳባቱ ቅድሚ ዓመት ኣቢሉ ኣተንቢሁ እንተነበረ፡ ክሳዕ መበል 21 ዕለተ ልደት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ማለት 1947፡ ሕጸኦም ንህዝቢ ብወግዒ ኣይተገለጸን። ልኡል ፊሊፕ፡ ናይ ወላዲቱ ልእልቲ ኣሊስ ናይ ግሪኽ ካብ ዝነበረ ዘውዲ ፕላቲነምን ኣልማዝን ብምጥቃም ናይ ሕጸኦም ቀለቤት ኣዳለወ። ልኡል ፊሊፕ ቀቅድሚ ምምርዓዎም ናብ ወላዲታ፡ ናብ ንግስቲ ኣብ ዝሰደዶ ደብዳበ ነታ ልእልቲ “ብምልኣትን ብዘይተጕላባን ከም ዘፍቕራ” ገሊጹ። እቶም ተጻመድቲ 2000 ዕዱማት ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ዌስትሚኒስተር ኣበይ ቃልኪዳን ፈጺሞም። እቲ እዋን፡ ካልኣይ ኲናት ዓለም ድሕሪ ምዝዛሙ ድሕሪ ክልተ ዓመት ጥራይን እታ ሃገር ጌና ካብቲ ቅልውላው ትወጸሉን ግዜ ብምንባሩ መርዐዖም ሳሕቲ ዝርአ ናይ ጽምብል ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። ዊንስተን ቸርቺል “ኣብ እንጓዓዞ ሓያል ጎደና ዝተራእየ ሕብራዊ ማሕታ” ክብል ገሊጽዎ። ኣብ ዝቐጸለ ዓመት በኹሪ ወዶም ቻርልስ ክውለድ እንከሎ፡ ብድሕሪኡ ኣን ስዒባ። ልኡል ፊሊፕ ኣብቲ ዝነበሮ ሓይሊ ባሕሪ ብቕልጡፍ ማዕርግ ወሲኹ። ናብርኦም ድማ ኣብቲ ንሱ ተመዲቡሉ ዝነበረ ማልታ ገበሩ። ኣብ 1952 ንጉስ ጆርጅ ራብዓይ ምስ ሞተ ኩሉ ነገራት ተቐያዪሩ። ንግስቲ ኤልሳቤጥ ጓል 25 ዓመት ልኡል ፊሊፕ ድማ ወዲ 30 ዓመት ነበሩ። እታ ልእልቲ ተረካቢት ንግስነት ምንባራ ይፈልጡ እኳ እንተነበሩ ክሳዕ ክንድኡ ቀልጢፉ ክመጾም ግና ኣይተጸበይዎን። እቲ መስፍን ኣብቲ ንጉሳዊ ሓይሊ ባሕሪ ዝነበሮ ራእይ ክጥንጥን ተገዲዱ። ሓደ መራኽብ ዝእዝዝ ዝነበረ ሰብኣይ፡ ሃንደበት ናብ ናይ ምትሕግጋዝ መዝነት ክወርድ ቀሊል ኣይኮነን። ብዘይካ’ዚ ኣብ 1950ታት ምንባሩ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካብ ሰበይቱ ብመዝነት ዝትሕት ሰብኣይ ሳሕቲ ዝርአ እዩ ነይሩ። እታ ኣደ ቆልዑት ዝነበረት ንግስቲ’ውን እቲ መዝነት ዝጠልቦ ቀዳምነት ክትህብ ተገዲዳ እያ። ዝምድናኦም ብሰንኪ ሃንደበታዊ ምቅይያር መዝነታት ተሃስዩ እንተነይሩ፡ ኣብ ቃልዕ ዝወጸ ኣይነበረን። እቲ መስፍን ርእሲ እታ ስድራ ናይ ምዃን ተርኡ ብምፍጻም፡ እታ ንግስቲ፡ ከም ርእሰብሄር፡ መዝነታ ዝጠልቦ ሓላፍነት ብግቡእ ክትዋጻእ ኣኽኢልዋ እዩ። ነቲ ካልእ ዓለም ንሳ እያ ሓለቓ- ብውልቂ ግና በንጻሩ እዩ። ኣብ 1960 ዝተዳለወ ሰነዳዊ ፊልም ከም ዘርእዮ፡ ንሱ ባርቢኪው ከዳልው እንከሎ ምሕጻብ ኣቕሑት ናታ ግደ እዩ። ምብጻሕ ናብ ሃገራት፡ መኽፈቲ ኣኼባ ፓርላማን ካልእ ጽምብላትን ዝኣመሰሉ ኣብ ዓበይቲ ሃገራዊ ህሞት የሰንያ። እቲ ዝምድና ብሉጽ ክኸውን ዝኸኣለ በበይኖም ግዜ የሕልፉ ብምንባሮም ምዃኑ ይንገር። ሓደ እዋን እቲ መስፍን ባዕሉ “ምስጢር ሕጉስ ሓዳር ዝተፈላለየ ድልየታት ምህላው እዩ” ኢሉ። ብስሩዕ ይራኸቡ እኳ እንተነበሩ ኣብ በበይኑ ስፍራ እዮም ነይሮም። ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ-19 ግና ክልቲኦም ኣብ ግምቢ ዊንድሶር ክጥርነፉን ዝከታተልዎም ሰባት ክፍለዩን ተወሲኑ። ካብ መጋቢት 2020 ንደሓር ብምኽንያት እቲ ለበዳ፡ ብዙሕ ግዜ ብሓባር ከሕልፉ ክኢሎም። ንልዕሊ 70 ዓመታት ናይ ሓድሕዶም ኮይኖም ብሓባር ዘሕለፍዎ ግዜ ፍሉይ እዩ። በዚ ድማ ሕልፈት ልኡል ፊሊፕ ንንግስቲ ዘሕደሮ ጓሒ ከቢድ እዩ። ወላ’ኳ ምርኡይን ቅሉዕን እንተዘይነበረ ዛንታ ንጉሳዊ ፍቕሮም ብቀጻልነቱ ክዝከር እዩ።","category":"ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይቲ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/56701709"} {"headline":"ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ኣብ ሰነዳዊ ፊልም ሃሪን ሜጋንን ዝሃብዎ ግበረመልሲ እንታይ እዩ?","content":"ብሪንዲስ ሮበርትስ፡ ተኸታታሊት ሰነዳዊ ፊልም ሃሪን ሜጋንን እናነብዐት እያ ርእያቶ። እታ ካብ ግዜ ልእልቲ ዲያና ጀሚራ ኣዝያ ኣድናቒት ንጉሳውያን ስድራቤት ዝዀነት ሮበርትስ፡ እታ ስድራቤት ክትበታተንን፡  ልኡል ሃሪን ሓዉ ልኡል ዊልያምን ከመይ ጌሮም ከምዝተፈላለዩ ክገልጽ እንከሎን ክትርእዮ ከላ በኽያ። ሮበርትስ ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ ዝዓበየት ጓል 65 ዓመት ጸላም ሰበይቲ ኰይና፡ ኣብ ጉዳይ ዓሌትን ዓሌታውነትን ዝግበር ዝነበረ ዘተ ኣዝዩ ግልጽን ቅሉዕ ምንባሩ ትኣምን። ብቐጻሊ ንነብሳ ክትምርምር ከምዘለዋን ገለ ካብ ናይ ገዛእ ርእሳ ተመኵሮታት ከምዘለለየትን ትዛረብ። \"ሓራቕ ጸላም ሰበይቲ ተባሂለ'የ፣ ከምኡ'ውን ኵሉ'ቲ ጸለምቲ ደቀንስትዮ ንምንእኣስን ሰብኣውነተን ንምትሓትን ዝጥቀሙሉ ቃላት ኢሎምኒ እዮም። ስለዚ ብርግጽ [ነታ ዱቸስ] እየ ዝድንግጸላ\" ትብል። ውድድር ቀንዲ ቴማ ናይቲ ሽዱሽተ ክፋላት ዝሓዘ ተኸታታሊ ፊልም'ኳ እንተነበረ፡ ከምቲ ብዙሓት ዝገመትዎ ግን ኣይነበረን። ሜጋን ኣብቲ ምስ ኦፕራ ዊንፍረይ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ፡ ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ ኣባል ንጉሳዊ ስድራቤት ቆርበት ህጻኖም ክሳብ ክንደይ \"ጸሊም\" ከም ዝኸውን ዝሃባ ነታጒ ርእይቶ ከምዝዀነ ትዛረብ። ቅድሚኡ ግን ዝዀነ ብቕሉዕ ዝተባሃለ ነገር ኣይነበረን። እዞም መጻምድቲ፡ ነቲ ናይ ኔትፍሊክስ ምርኢት ተጠቒሞም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ክልተ-ዓሌታዊ ውርሻ ሜጋን፡ ኣብ ልዕሊኣ ብዘይሕለል ናይ ታብሎይድ ወፍሪ ዝገለጽዎ - ብዝያዳ ድማ ኣብቲ ብኢንተርነት ዘጋጠማ ዓሌታዊ ግህሰት መሰረታዊ ረቛሒ ምዃኑ ይምጕቱ። ሮበርትስ ዘለለየቶ ትረኻ እዩ። ናብ 2018 ንድሕሪት ተመሊስና፡ ድሕሪ ንጉሳዊ መርዓ፡ ሜጋን፡ ብዓሌታዊ ርእይቶታት ኣብ ዝተዓብለለሉ እዋን፡ #SussexSquad ዝብል ሃሽታግ ንኽፍለጥ ሓጊዛ። እቲ ስጕምቲ፡ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ዝተፈላለየ ሕብሪ ቆርበት ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፡ ነታ ዱቸስን ስድራቤታን ንምድጋፍ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክጥቀሙ ዝደለዩ ተኸታተልቲ ቀልጢፉ ኣኻኺቡ። \"ዓሌትነት ዘየጋጠመካ እንተዀይኑ፡ ወይ ግዳይ ናይዚ እንተዘይኴንካ፡ ሽዑ ኣይትፈልጦን ኢኻ\" ትብል ሮበርትስ። \"እቲ ንኻልእ ሰብ ንጹህ ክመስሎ ዝኽእል፡ ትርእዮ ኣለኻ ግን ኣይፋልን እዚ ፈጺሙ ንጹህ ኣይኰነን።\" ትሮሊንግ መስመር ምስ ሰገረ፤ ኣብቲ ተኸታታሊ ፊልም፡ ልኡል ሃሪ፡ ንወዱ ‘ኣርቺ’ ምውላዱ ምስተገልጸ ካብ ዝረኣዮም ቀዳሞት ግብረ-መልሲ ሓደ፡ ኣቕራቢ መደብ ቢቢሲ ነበር ዳኒ ባከር ኣብ ትዊተር ዝጸሓፎ ኰይኑ፡ ዝዀኑ መጻምድቲ ምስ ቺምፓንዚ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ዘርኢ ስእሊ ነይርዎ። \"ኣብ ልዕሊኡ 'ንጉሳዊ ህጻን ካብ ሆስፒታል ክወጽእ እዩ' ዝብል ጽሑፍ ነይሩዎ። እዚ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ዝረኣኹዎም ነገራት እዩ ነይሩ\" ይብል ልኡል ሃሪ። ሚስተር ባከር ይቕሬታ ​​ሓቲቱ ድሒሩ ድማ ካብ ስራሕ ተባሪሩ። ኣሜሪካዊ በዓል ሃብቲ ቴክኖሎጂ ክሪስቶፈር ቦውዚ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ደቂ እዞም መጻምድቲ ኣብ ኦንላይን ኣብ ዝተፈጸሞም መጥቃዕቲ፡ ብቐጻሊ ምስ ኣህባይ ይነጻጸሩ ከምዝነበሩን፡ እታ 'N-word' ድማ ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ሜጋን ይጥቀሙላ ከምዝነበሩን ገሊጹ። ቦውዚ፡ ኣብዚ ተኸታታሊ ፊልም ዝተሳተፈ፡ ትካሉ ቦት ሴንቲነል፡ ውሑድ ቍጽሪ ግን ከኣ ሓያል ጸረ ሜጋን ዝዀኑ ኣካውንታት ንመብዛሕትኡ ናይቲ ኣብ ትዊተር ዝረአ ጽልኢ ዝመልኦ ትሕዝቶ ተሓተትቲ ምዃኖም እዩ ዝኣምን። \"እዚ ካብ ናይ ሩስያ ትሮል ፋርም ዝወጸ ነገር ይመስል\" ይብል ቦውዚ። \"ኣብ ደገ ብዝዀነ ምኽንያት ጥራይ ዘይፈትውዋ ሰባት የለዉን ኣይብልን እየ፣ እንተዀነ እቲ ዓቢ ስእሊ፡ ናይዞም ናይ ጽልኢ ኣካውንትታት ርኢኻ፡ እዚ ብዛዕባ ዓሌታውነት ኣይኰነን፡ ናብ ዝብል መደምደምታ ክትበጽሕ ኣይትኽእልን ዝብል ርእይቶ ኣለኒ።\" ኣሜሪካዊ፡ ንጉሳዊ ተዓዛቢን ወሃብ ርእይቶን ኣር.ኤስ.ሎክ፡ እቲ ተኸታታሊ ሰነዳዊ ፊልም፡ ነቲ ድሕሪ ንጉሳዊ መርዓ ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ዝረኣየቶ ድራማዊ ለውጢ ቃና ሽፋን መራኸቢ ብዙሃን ከም ዝሓዘ ገሊጹ። \"ዓባይ ብሪጣንያ ልክዕ ከም ሰፊሕ ዓለም፡ ነዞም ኣዝዮም ዝተፈላለዩን ዘመናውያንን መጻምድቲ ከም እትቕበልን ከም እትሓቍፍን ገይራ ክትረኣ ትደሊ\" ኢላ። እቲ፡ ሜጋን ካብ ሽዑ ጀሚሩ እታ መጻምዱ ተጻዊራቶ ዝብሎ ድሕረ-ባይታን ዓሌታዊ ግህሰትን ግን፡ እቲ ነገር ክሳብ ክንደይ ክኸይድ ከም ዝኽእል ዘርኢ ምዃኑ እያ ትገልጽ። \"ኣብ መንጎ ንነብስና ከመይ ንርእያን ብሓቂ መን ምዃንናን ዘሎ ርሕቐት ሰፊሕ እዩ።\" ብዙሓት ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ንሃሪን ሜጋንን ብዛዕባ ዓሌትነት - ከምኡ'ውን ከም ሕድሪ ባርነትን መግዛእትን ዝኣመሰሉ ከበድቲ ጉዳያት ክዛረቡ ብሓጎስ ክቕበልዎ እንከለዉ - እታ ዱቸስ ከም ጸላም ጓል ኣንስተይቲ ምንባር  ‘ዕዉርነት ኰይኑ ተሰሚዑኒ’ ብምባላ ግን ተነቒፋ እያ። ኣብ ካልኣይ ክፋል ናይቲ ተኸታታሊ ፊልም፡ ሜጋን ኣብ ኣሜሪካ ከም ተወላዲት ክልተ-ዓሌት ጓል-ኣንስተይቲ ኴንካ ምዕባይ ከመይ ከም ዝነበረ ይትርኽ። እታ ዱቸስ፡ ክሳብ ናብ ዓዲ እንግሊዝ እትግዕዝ ኣድልዎ ተገይሩላ ወይ ድማ፡  \"ከም ጸላም ሰበይቲ ተጸጊማ\" ከም ዘይትፈልጥ እዩ ዘመልክት። ክትዓቢ እንከላ፡ ኣደኣ ምስኣ \"እዛ ዘረባ\" ፈጺማ ኣልዒላትላ ከምዘይትፈልጥ ገሊጻ። ብዙሓት ስድራቤታት ብዛዕባ ዓሌትነት፡ ኣድልዎን ኣብ ኣሜሪካ ሕብሪ ቆርበት ዘለዎ ሰብ ምዃን ዘጋጥሞም ብድሆታትን ክገብርዎ ዝግደዱ ግሉጽ ዘተ ብምጥቃስ፡ ንገሊኦም ነታ ፊልም ዝከታተሉ ዝነበሩ፡ እቲ ምእማን ከም ብጽፍዒት ምውቃዕ እዩ ተሰሚዕዎም። \"እዚ ኣይርድኣንን እዩ፡ ከመይ ገይራ ኣብ ኣሜሪካ ብጸላም ሰበይቲ ዓብያ፤ ድሕሪኡ ወለዳ ብዛዕባ ጸላም ምዃና ኣዕሊሎምኒ ኣይፈልጡን ትብል\" ክብል ሓደ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። \"ከም ጸላም ሰበይቲ ኢና ክንርእያ ንደሊ ግን ምሳና ተዛሚዳ ኣይትፈልጥን።\" ካልኦት ድማ እታ ዱቸስ ቅድሚ ንልኡል ሃሪ ምምርዓዋ ጸላም ሰበይቲ ምዃና'ኳ እንተገለጸት ከተነጽር ይደልዩ ነይሮም። ሮበርትስ፡ እቲ መግለጺ ሕብራዊ ምትእስሳር ገና ኣብ ኣሜሪካ ዛዕባ ምዃኑ ዘርኢ ኰይኑ ከምዝተሰምዓን፡ ነታ ዱቸስ ካብቲ ጸሊም ሕብሪ ቆርበት ሒዛ ዝዓበየትሉ ዝተፈላለየ ናይ ህይወት ተመኵሮታት ከምዘለዋ ብምውቃስ ነቲ ጽልኢ ከተቐጽሎ ከምዘይትደሊ ገሊጻ። ብዙሓት ኣብ ኢንተርነት ምስኣ ተሰማሚዖም። ሓደ ተጠቃሚ ኣብ ትዊተር፡ \"ንምእታው ምፍቃድ ግድን ምቕባል ማለት ከምዘይኮነ ምግንዛባ'ያ። ብዙሕነት ናይ ግድን ምሕዋስ ኣይኮነን\" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። \"መብዛሕትኦም ጸለምቲ ዘለዎም ህሞት'ዩ፣ ኣብ መኣዲ መንበረይ ቃንዛን ውርደትን ክኸውን' ዩ።\" ሮበርትስ፡ ሃሪን ሜጋንን ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ - ከምኡ'ውን እንታይ ከም ዝተጋገየ ዝገልጽ ከቕርቡ ምርኣይ፡ ብፍላይ ንጉሳዊ ስድራቤት ዝሰኣንዎ ዕድል ኰይኑ ስለ ዝተሰምዖም ስምዒታዊ ምዃኑ ገሊጹ። \"እቲ ትካል ኣብ ልኡል ሃሪን ዱቸስ ሜጋንን እንታይ ዓይነት ዕንቊታት ከም ዝነበሮም ዘይምግንዛቡን 'እዞም ክልተ ሰባት እቶም ዝተረፍና ክንበጽሖም ዘይንኽእል ኣባላት ህዝቢ እንግሊዝን ኮመንዌልዝን ክበጽሑ ይኽእሉ'ዮም' ዘይምባሎም ዘሕዝን'ዩ።\"","category":"ንጉስ ቻርልስ ሳልሳይ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv29j0el048o"} {"headline":"ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ ስነ ስርዓት ቀብሪ ክሳብ ዝፍጸም ዘሎ መዓልታዊ መደባት","content":"ስነስርዓት ቀብሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ 19 መስከረም 2022 ዝፍጸም ኰይኑ፡ ኣስክሬነን ሎሚ ኣብ ኢድንብራ በጺሑ። ሓዘንተኛታት፡ ፈለማ ኣብ ኢድንብራ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ቅዱስ ጊለስ ደሓር ከኣ እቲ ኣስከሬን ንኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ዝዓርፈሉ ኣዳራሽ ዌስትሚኒስተር፡ ነቲ ኣስከሬን እተን ንግስቲ ክርእዩዎ’ዮም። ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ፡ ንዓባይ ብሪጣንያ ናብ ዘቝማ ኣርባዕተ ሃገራት ምብጻሕ ክገብር እዩ። ብሓፈሻ፡ ስነስርዓት ቀብሪ ክሳብ ዝፍጸም ዘሎ ምዕበለታት እንታይ ይመስል? እቲ ንጉስ፡ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ዌስትሚኒስትር ምብጻሕ ብምግባር ውዕሎኡ ክጅምር እዩ። ኣብዚ፡ ኣባላት ላዕለዋይን ታሕተዋይን ባይቶ ሓዘኖም ንምግላጽ ክርከቡ’ዮም፤ ቻርለስ ድማ መደረ ከስምዕ’ዩ። ድሕሪኡ፡ ‘ኲን ኰንሰርት’ ዝብል መዓርግ ምስ ዝለበሰት በዓልቲ ቤቱ ካሚላ ናብ ኢዲንብራ ክኸይድ እዩ። ቀጺሉ፡ ኣስክሬን ንግስቲ ካብ ቤተንግስነት ሆሊድሩሃውስ ኢድንብራ ናብ ካቴድራል ቅዱስ ጊለስ ክውሰድ'ዩ። እቲ ኣስክሬን፡ ን24 ሰዓታት ኣብቲ ካቴድራል ዝጸንሕ ኰይኑ ህይወት እተን ንግስቲ ንምኽባር ዝፍጸም ኣገልግሎት እውን ሎሚ ክካየድ እዩ። እዚ መስርዕ ብምሓዝ ዝፍጸም ኰይኑ፡ ተሳተፍቲ ንሰዓታት ደው ክብሉ ከም ዝኽእሉ ሰብ መዚ ገሊጾም። እቲ ንጉስ ብተወሳኺ፡ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ስኮትላንድ፡ ኒኮላ ስተርጀን ናብ ቤተመንግስቲ ሆሊሩድሃውስ ከምርሕ'ዩ። ንሱን ንግስቲ ኮንሶርትን፡ ድሕሪኡ ኣባላት ባይቶ ስኮትላንድ መግለጺ ሓዘን ኣብ ዘቕርብሉ ባይቶ ስኮትላንድ ክሳተፉ እዮም። ኣጋ ምሸት ክኣ፡ ንጉስ ቻርለስ ምስ ካልኦት ኣባላት እቲ ንጉሳዊ ስድራ ብምዃን ኣብቲ ኣስክሬን ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዝዓርፈሉ ካቴድራል ቅዱስ ጊለስ ሓለዋ ክገብር እዩ። ሳንዱቕ ሬሳ እተን ንግስቲ ካብ ካቴድራል ቅዱስ ጊለስ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ኢድንብራ ክውሰድ’ዩ። ካብኡ ብነፋሪት ናብ ኖርዝሆልት ክውሰድ’ዩ። ልእልቲ ኣኔ ክኣ ከተሰንዮ እያ። እቲ ኣስክሬን ኣብ ለንደን ምስ በጽሐ ናብ ቤተመንግስቲ ባኪንግሃም ክውሰድ እዩ፤ ኣብዚ ንጉስን ካሚላን ክጸንሑ’ዮም። ቅድሚኡ፡ ንጉስን ካሚላን ምስ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ሰሜን ኣየርላንድ ክሪስ ሂቶን-ሃሪስን ካልኦት መራሕቲ ሰልፍን ክራኸቡ’ዮም። ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ድሕሪ ዝህልዎ ርክብ ድማ፡ ንጉስ ቻርለስን ካሚላን ናብ ለንደን ቅድሚ ምምላሶም ኣብ ካቴድራል ቅዱስ ኣኔ ዝፍጸም ስነ ስርዓት ጸሎት ክሳተፉ እዮም። ኣስክሬን ንግስቲ፡ ካብ ቤተመንግስቲ ባኪንግሃም ናብ ዌስትሚኒስትር ክውሰድ እዩ፤ ኣብዚ ንኣርባዕተ መዓልታት ክጸንሕ እዩ። ነበርቲ እቲ ኣስክሬን ክሓልፍ እንከሎ ክርእዩ ክፍቀደሎም’ዩ። ንጉስን ኣባላት እቲ ንጉሳዊ ስድራን ክኣ ኣብቲ 38 ደቓይቕ ዝወስድ ጕዕዞ ክሳተፉ’ዮም። ኣብ ዌስትሚኒስትር ምስ በጽሑ፡ እቲ ኣስከሬን ክዓርፍ’ዩ። መዓልታዊ ን24 ሰዓታት በቶም ነቲ ንጉሳዊ ስድራ ዝሕልው ወተሃደራት ክሕሎ’ዩ። ህዝቢ ክብሩ ንምግላጽ ክኣቱ ፍቓድ ቅድሚ ምሃቦም ክኣ፡ ሊቀ-ጳጳስ ካንተርባሪ ጀስቲን ዌልቢ ሓጺር ስነስርዓት ክፍጽም’ዩ። እዚ፡ ኣስክሬን እተን ንግስቲ ኣብ ዌስትሚኒስትር ዝዓፈሉ ራብዓይ መዓልቲ እዩ። ስነስርዓት ቀብሪ ክሳብ ዝፍጸመሉ ዘሎ ክኣ ኣብኡ ክጸንሕ’ዩ። ክሳብ ሽዑ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ሕዙናት ኣብቲ ብ11 ክፍለ ዘመን ዝተሰርሐ ህንጻ ምብጻሕ ክገብሩ’ዮም ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር። እዚ ህንጻ፡ እቲ ዝዓበየ ክፋል ቤተመንግስቲ ዌስትሚኒስትር ኰይኑ፡ ሕምብርቲ መንግስቲ ብሪጣንያ’ውን እዩ። ሕጂ’ውን ሰባት፡ ክበጽሑ ክፍቀደሎም’ዩ። ንጉስ ቻርለስን ካሚላን ክኣ፡ ናብ ዌልስ ክጕዓዙ'ዮም። እቲ ንጉስ፡ ናብ ኣርባዕቲአን ሃገራት ዓባይ ብሪጣንያ ዝገብሮ ናይ መወዳእታ ምብጻሕ፡ ኣብ ዌልስ ብዝህልዎ ጻንሒት'ዩ ክዛዘም። ኣስክሬን እተን ንግስቲ ንሳልሳይ መዓልቲ ኣብ ህንጻ ዌስትሚኒስትር ዝዓርፈሉ ክኸውን እዩ። እቲ ኣስክሬን፡ ንራብዓይ መዓልቲ ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ክጸንሕ እዩ። እቲ ኣስክሬን፡ ብዓጀባ ስነ ስርዓት ምፍናው ቀብሪ ናብ ዝግበረሉ ደብሪ ዌስትሚኒስተር ክውሰድ እዩ። ኣብዚ፡ ኣባላት ስድራ እተን ንግስቲ፡ ነባራት ፖለቲከኛታት ዓባይ ብሪጣንያን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝመጽኡ መራሕትን ወከልቲ እተን ንግስቲ ዝሕግዝኦም ዝነበራ ገበርቲ ሰናይን ክሳተፉ’ዮም። ድሕሪኡ፡ እቲ ኣስክሬን ብዓጀባ ካብ ደብሪ ዌስትሚኒስተር ናብ ህንጻ ዌሊንግተን ቀጺሉ ድማ ናብ ዊንድሶር ክውሰድ’ዩ። በዚ መሰረት፡ ብመኪና ቀብሪ ተሰንዩ ሓበራዊ ጸሎት ናብ ዝግበረሉ ነዊሕ ጕዕዞ ዝወስድ ቤተ ጸሎት ቅዱስ ጊዮርጊስ ክኣቱ እዩ። ስነ-ስርዓት ቀብረን ድማ ነገስታትን ንግስትታትን ዓባይ ብሪጣንያ ዘውዲ ኣብ ዝደፍእሉ፡ ኣብ ደብሪ ዌስትሚኒስተር ኣብ ዝርከብ ቤተ-ክርስትያን እዩ ክፍጸም። እዚ ቤተ-ክርስትያን ኣብ 1947 [ኣ.ኣ]፡ ዳግማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ምስ ልኡል ፊሊፕ ቃል-ኪዳን ዝኣሰሩሉ እዩ። ስነ-ስርዓት ቀብሪ ወላዲት እዘን ንግስቲ፡ ኣብ 2002 ’ኳ እንተተፈፀመ፡ ካብ መበል 18 ክፍለ ዘበን ንነጀው ኣብ ደብሪ ዝዀነ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣይተፈጸመን።","category":"ንጉስ ቻርልስ ሳልሳይ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cq50g3zp8z7o"} {"headline":"ንጉስ ቻርለስ 'ንዓይ ይጥዓመኒ ዘይብሉ' ኣብነት ወላዲቱ ክኽተል ምዃኑ ገሊጹ","content":"ሓድሽ ንጉስ ዓባይ በሪጣንያ ቻርለስ ሳልሳይ፡ 'ንዓይ ይጥዓመኒ' ዘይብል ተወፋይነት ወላዲቱ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ክኽተል ከምዝደሊ ኣፍሊጡ። ሎሚ ንመጋባእያ ክልቲኦም ባይቶታት እታ ሃገር ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኣርኣያ ነይተን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መበል 96 ዕድሚኤንን መበል 70 ዓመት ንግስነተንን ዝዓረፋ ወላዲቱ ብምስዓብ ከገልግል ምዃኑ ቃል ኣትዩ። ፓርላማ ብሪጣንያ \"ህያውን ዝነብርን መሳርሒ ደሞክራሲ ሃገርና\" እዩ ክብል'ውን ንሕገመንግስታዊ ስርዓት እታ ሃገር ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ። ኣፈኛ ወከልቲ ህዝቢ ሰር ሊንድሰይ ሆይል፡ ኣብ ዝሃቦ መገለጺ፡ \"ንክቡር ልምድና፡ ናጽነታትና፡ ከምኡ'ውን ሓላፍነት ፍሉይ ታሪኽናን ፓርላመንታዊ ስርዓተ-መንግስትናን ዝለዓለ ክብረት ከምዘለካ ንፈልጥ\" ክብል ኣብ ልዕሊ'ቲ ሓድሽ ንጉስ ዘለዎ እምነት ተዛሪቡ። እቲ ንጉስ ብወገኑ፡ ነፈሰሄር ንግስቲ ኤልሳቤጥ \"ኣብነት ንዓይ ይጥዓመኒ ዘይብሉ ሓላፍነት ኣንቢራ'ያ፡ ብደገፍ ፈጣሪን ምኽርኹምን ኣሰራ ክኽተል ብተኣማንነት ወሲነ ኣለኹ\" ክብል መብጽዓ ኣትዩ። እቲ ኣኼባ ዝተኻየደሉ ኣብ ህንጻ ፓርላማ ዝርከብ 'ኣደራሽ ዌስትሚኒስተር ' ኣብ 1097 ዝተሃንጸ ምዃኑ ይፍለጥ። ንባይቶ ጎይቶት (ሃውስ ኦፍ ሎርድስ) ወኪሉ መግለጺ ዝሃበ፡ ሎርድ ማክፎል ብወገኑ፡ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ \"ኣቓልቦ መላእ ህዝቢ ዓለም ዝሰሓባ\" ምንባረን ብምግላጽ፡ \"ብሓበንን ትሕናን ከም ንጉስ ንቕበለካ\" ኢሉ። ድሕሪ'ቲ ናይ ፓርላማ ኣኼባኡ፡ እቲ ንጉስ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ንግስቲ 'ኮንሶርት' ካሚላ፡ ብቐጥታ'ዩ ናብ ስኮትላንድ ኣምሪሑ። ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኤድንብራ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፡ ድማ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ስኮትላንድ ኒኮላ ስታርጀንን ከንቲባ እታ ከተማን ተቐቢሎሞ። ኣብ ከተማ ኣብ ዝኣተውሉ ድማ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ወሰናስን ዝሓለፍሉ ጎደናታት ደው ብምባል፡ ብሞት ንግስቲ ዝተሰምዖም ሓዘንን ነቲ ሓድሽ ንጉስ ዘለዎም ደገፍን ገሊጾም። ድሕሪ'ቲ ኣብ ቤተመንግስቲ ሆሊሩድሃውስ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ከኣ፡ ሬሳ ንግስቲ ብደቀን ተሰንዩ በቲ 'ሮያል ማይል' ተባሂሉ ዝፍለጥ ጎደና ሓሊፉ ናብ ቤተክርስትያን ሴንት ጋይልስ ካቴድራል ኣምሪሑ። ኣብቲ ንሕብረተሰብ ስኮትላንድ ዝውክሉ ብዙሓት ሰባት ዝተሳተፍሉ ማይ ጸሎት ስነ-ስርዓት፡ ተዛረብቲ ንነዊሕ ሂወት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዘመጉስን፡ ንሓድሽ ንጉስ ዘወድስን መደረታት ከስምዑ እንከለዉ፡ ንዝኽረን ጸሎት ተኻይዱ። ብድሕሪ'ዚ፡ ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ፡ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ስኮትላንድ ሓጺር ኣኼባ ድሕሪ ምክያድ፡ ናብ ህንጻ ፓርላማ ስኮትላንድ በጺሑ። ኣባላት እቲ ባይቶ ድማ ብሞት ወላዲቱን ንግስቲ እታ ሃገር ዝተሰምዖም ናይ ሓዘን መግለጺታት ሂቦም። ሎሚ ምሸት ድማ፡ ቤተሰብ ንግስቲ ኣብቲ ካቴድራል ንዝኽራ ኣብ ዝግበር ናይ ሽምዓ መደብ ክሳተፉ'ዮም። ብዙሓት ሰባት ንመወዳእታ ግዜ ንክፋነውዋን ሓዘኖም ክገልጹን ሬሳ ንግስቲ ን24 ሰዓታት ኣብቲ ካቴድራል ክጸንሕ'ዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ብነፋሪት ናብ ለንደን ክውሰድ'ዩ። እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ወዲ ወዳ ዝኾነ ልኡል ሃሪ መስፍን ሳሰክስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንዓባዪ \"ሓባሪት ኮምፓስ\" እያ ነይራ ክብል ገሊጹዋ። ኣብቲ ንኽብሪ ዝኽሪ ግዳያት ጂሃዳዊ መጥቃዕቲ 9\/11 ኣመሪካ ደንጒዩ ዝወጸ መግለጺ፡ እተን ንግስቲ ብዓልቤተን ምስ ሞተ፡ \"ሓቂ'ዩ፡ ሂወት ናይ መወዳእታ ምፍልላይን ናይ ፈለማ ርክባትን ዝሓዘት'ያ\" ክብላ ዝተዛረብኦ ብምዝካር ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ። \" ዓባየይ፡ ዋ'ላ'ኳ ናይ መወዳእታ ምፍልላይ ከቢድ ሓዘን እንተመጽኣልና፡ ንዝነበረና ኩሉ ፈላሚ ርክባት ግን ዕጉብ'ዩ- ካብቲ ምሳኺ ዝነበረኒ ናይ ቁልዕነት ዝኽረይ፡ ከም ላዕለወይቲ ኣዛዚተይ [ኣብ ሰራዊት እንከሎ]፡ ከምኡ'ውን ንፈለማ ግዜ ንፍትውቲ ብዓልቲ ቤተይ ዝረኸብክላን፡ ንደቂ-ደቅቒ ዝሓቖፍክላን። \"ንኹለን እዘን ምሳኺ ዝተኻፈልናየን ግዝያትን፡ ኣብ መንጎአን ዝነበራ ህሞታትን ኣብ ዝኽረይ እዓቑረን\" ኢሉ። \"ሕጂ ድማ ንኣቦይ፡ ከም ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ ነኽብሮ\" ክብል ልኡል ሃሪ ኣብ መግለጺኡ ተኣማንነቱ ነቲ ሕድሽ ንጉስ ኣፍሊጡ'ሎ።","category":"ንጉስ ቻርልስ ሳልሳይ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c8071n6pwl2o"} {"headline":"ቻርልስ ሳልሳይ፡ ኣንቲጓን ባርቡዳን ኣብ ጉዳይ መራሒ ሃገር ህዝበ ውሳነ ከተካይድ'ያ","content":"ሞት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ስዒቡ፡ ግዝኣት ኢንግሊዝ ዝነበረት ኣንቲጓን ባርቡዳን፡ ሪፐብሊክ ንምዃን ህዝበ ውሳነ ከተካይድ ምዃና ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ገሊጹ። ቀዳማይ ሚኒስተር ጋስቶን ብራውን፡ እቲ ህዝበ ውሳነ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ከም ዝካየድ ብምግላጽ፡ እዚ ክተካይድ ምውጣን “ተግባር ጽልኢ ኣይኰነን” ኢሉ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃገሩ ሪፐብሊክ እንተዀይና “ነጻን ሉእላዊትን” ምዃና እነረጋግጸሉ ናይ መወዳእታ ስጉምቲ ክኸውን እዩ ኢሉ። ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ክሳብ ዝሞታ፡ መራሒት ኣንቲጓን ባርቡዳን ነይረን። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ መግለጺ ዝሃበ፡ ቻርለስ ሳልሳይ፡ ንጉስን መራሒ እታ ኣብ ካሪብያን እትርከብ ሃገርን ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጹ እዩ። ጋስቶን ብራውን ኣብ ዝቕጽል ዓመት ኣብ ዝካየድ መረጻ እንተተዓዊቱ፡ ነቲ ድምጺ ህዝበ ውሳነ ከም ዘፈጽሞ ገሊጹ። ቅድም ኢሉ፡ ኣውስትራሊያ’ውን ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመታት ተመሳሳሊ ህዝበ ውሳነ ምክያድ ንዝብል ሓሳብ ነጺጋቶ እያ። ሞት ንግስቲ ስዒቡ ግና እቲ ጉዳይ ዳግማይ መዘራረቢ ኮይኑ ኣሎ፤ እቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝተመረጸ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባኒዝ'ውን ሪፓብሊካዊ መርገጺ እዩ ዘለዎ። እንተኾነ ግና ኣብ ቀዳማይ እብረ ዘመነ ስልጣኑ ህዝበ ውሳነ ከምዘይካየድ ንስካይ ኒውስ ተዛሪቡ። ንጉስ ቻርልስ ንብሪጣንያ ሓዊሱ፡ መራሒ ሃገር 14 ሃገራት - ኣንቲጓን ባርባዱን፣ ኣውስትራሊያ፣ ባሃማስ፣ ቤሊዝ፣ ካናዳ፣ ግሬናዳ፣ ጀማይካ፣ ኒውዝላንድ፣ ፓፓዋ ኒው ጒኒ፣ ሴንት ኪትስን ኔቪስን፣ ሴንት ሉችያ፣ ሴንት ቪንሰንትን ዘ ግሬናዲንስን፣ ደሴታት ሰለሞንን ቱቫሉን - እዩ። ኣብዚ እዋን ግና ብዙሓት ሃገራት ነቲ ንግስነት ዳግመ ግምት ይገብራሉ ኣለዋ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ፓርላማ ባርባዶስ ንንግስቲ ኤልሳቤጥ ካብ መሪሕነት እታ ሃገር ድሕሪ ምእላዩ ንፈለማ እዋን ፕሬዝደንት ሸይማ። ኣብ ጀማይካ፡ ገዛኢ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ህዝበ ውሳነ ኣካይዱ ሪፐብሊክ ምዃና ንምእዋጅ መደብ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ’ዩ።","category":"ንጉስ ቻርልስ ሳልሳይ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1nd4pyzxeo"} {"headline":"ናብ ንጉስ ቻርለስ እንቋቑሖ ተደርብዩ","content":"ብሪጣናያዊ ንጉስ ቻርለስ ምስ በዓልቲ ቤቱ ካሚላ ኣብ ጎደና ብእግሩ እንዳተጉዓዘ እንከሎ ካብ ተዓዘብቲ እንቋቑሖ ተደርብይሉ። ድሕሪ እቲ ክስተት ፖሊስ ንሓደ ወልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ኣእትይዎ።","category":"ንጉስ ቻርልስ ሳልሳይ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cgrqr6qq796o"} {"headline":"ሬሳ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካብ ስኮትላንድ ናብ ለንደን ኣትዩ","content":"ንኣስታት 24 ሰዓታት ብህዝቢ ክብጻሕ ዝወዓለ፡ ሬሳ ግርማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ ካብ ስኮትላንድ ብወተሃደራዊት ነፋሪት ናብ ለንደን ኣትዩ። ካብ ትማሊ ምሸት ጀሚሩ፡ ኣብ ከተማ ኤድንብራ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ሰንት ጃይልስ ዝጸንሐ ሬሳ ንግስቲ ብሰሉስ ምሸት'ዩ ናብቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ ቤተንግስነት ባኪንግሃም ፓላስ ኣትዩ። ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ፡ ኣብቲ ኣብ ስኮትላንድ ዝርከብ ባልሞራል ተባሂሉ ዝፍለጥ ተወሳኺ መንበሪአ ኣብ መበል 96 ዓመተን ዓሪፈን። ህዝቢ ከተማ ኤድንብራን ከባቢኡን፡ ምሉእ ለይቲ ነዊሕ መስርዕ ሓሊፉ ናብቲ ካቴድራል ብምብጻሕ ንወመዳእታ ግዜ ክፈናወን ሓዲሩ። እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ናብ ሰሜን ኣየርላንድ ምብጻሕ ዘካየደ ሓድሽ ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ፡ ካብ ፓርላማ እታ ግዝኣት ናይ ሓዘን መግለጺ ድሕሪ ምቕባል፡ ኣሰር ኣዲኡ ብምኽታል ንዝጸንሐ ልምድን ስርዓትን እታ ሃገር ከምዘኽብር ኣፍሊጡ። እቲ ሓድሽ ንጉስ፡ ድሮ ኣብ ፓርላማ ብሪጣንያን ስኮትላንድን ተመሳሳሊ መግለጺታት ሂቡ'ሎ። ኣብ ቀረባ እዋን'ውን ናብ ዌልስ ክኸይድ ትጽቢት ይግበር። ንሱ፡ ከም ልኡል ዌልስ ኮይኑ ከገልግል ምጽንሑ ይዝከር። ሬሳ ወላዲቱ ናብ ለንደን ቅድሚ ምእታዉ፡ ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ ዝነበሮ ጻንሒት ብምዝዛም ናብ ቤተንግስነት ባኪንግሃም ተመሊሱ'ሎ። ሓንቲ ጓለን፡ ልእልቲ ኣን ንሬሳ ወላዲታ ኣሰንያ ናብ ለንደን ኣትያ'ላ።","category":"ንጉስ ቻርልስ ሳልሳይ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cqvzj41lnv9o"} {"headline":"ስነስርዓት ቀብሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ብወግዒ ተፈጺሙ","content":"ስነስርዓት ቀብሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ብክብ ዝበለ ወግዒ ሎሚ ሰኑይ 19 መስከረም ተፈጺሙ። እቲ ቀንዲ ወግዓዊ ህዝባዊ ስነስርዓት፡ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ህንጻ ፓርላማ ዌስትሚኒስተርን፡ ቤተንግስነት ባኪንግሃም ፓላስን ዝርከበ ጥንታዊ ቤተክርስትያን ዌስትሚኒስተር ኣቢ እዩ ተፈጺሙ። ፈለማ እቲ ኣብ ህንጻ ፓርላማ ብህዝቢ ክብጻሕ ዝቐነየ ሬሳ ንግስቲ፡ ቅድሚ ሰዓት 11 ናብቲ ቤተክርስትያን ኣምሪሑ። ወዲ ንግስቲ ኤልቤጥ ሓድሽ ንጉስ፡ ቻርለስ ሳልሳይ፡ ኣሕዋቱ፡ ደቁን ካልኦት ኣባላት ቤተሰብ ንግስነትን ዝርከብዎም ነቲ ሬሳ ኣሰንዮም ነቲ ሓጺር ጉዕዞ ተጓዓዚኦም። ሬሳ ንግስቲ ዝሓዘ ሰረገላ፡ ኣብ ክንዲ ብኣፍራስ፡ ብልዕሊ 100 ዝኾኑ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ተሳሒቡ’ዩ ተጓዒዙ። ኣስታት 500 ዝኾኑ መራሕቲ መንግስታት፡ ነገስታት፡ ንግስትታት፡ ሰበስልጣንን ውልቀሰባትን ዝርከብዎም ዕዱማት ኣብቲ ስነስርዓት ተሳቲፎም። ኣብ ስልጣን ዘላ ሊዝ ትራስ እትርከቦም፡ 7 ቀዳሞት ሚኒስተራት ብሪጣንያ ነበር'ውን ኣብቲ ስነስርዓት ተሳቲፎም። ወግዓዊ መደብ ተወዲኡ፡ ልክዕ 12፡15 ምስኮነ ኸኣ፡ ሬሳ ዝሓዘ ሰገላ ብኣባላት ሓይሊባሕሪ እናተሳሕበ ናብቲ ሃይድፓርክ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ታሪኻዊ ሓወልቲ ዘለዎ መናፈሻ በጺሑ። ካብኡ፡ ሬሳ ኣብ ፍልይቲ መኪና ተሰቒሉ፡ ናብቲ ኣብ ምዕራባዊ ወገን፡ ካብ ለንደን ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ቀንዲ መንበሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዝነበረ ፍሉጥ ቤተንግስነት ዊንድዘር ኣምሪሑ። ሬሳ ንግስቲ ናብ ናይ መወዳእታ ምዕራፉ ክሳብ ዝበጽሕ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ኣብ ጎደናታት ተሰሪዑ ዘለዎ ክብርን፡ ዝተሰምዖ ሓዘንን ክገልጽ ውዒሉ። ብመዛሙር ዝተሰነየን ውሱናት ዕዱማት ዝተሳተፍዎ ናይ መወዳእታ ህዝባዊ ስነስርዓት ጸሎት ኣብቲ ቀጽሪ ቤተንግስነት ዊንዘር ዝርከብ ቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተክርስትያን ተኻይዱ። ዘውድን በትረስልጣን እታ ንግስትን ካብ ሳንዱቕ ሬሳ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ንሓዋሩ ተላዒሉ፡ ናብ ዌስት ሚኒስተር ኣቢ ክምለስ ተረኪቡ። እቲ ንግስነት ኣዲኡ ተረኪቡ ዘሎ ቻርለስ ሳልሳይ፡ ሓዘኑ ምስ ወድአ ብወግዒ ዘውዲ ክደፍእ ትጽቢት ይግበር። እንተኾነ ግን፡ እቲ ዓቢ ጽንብል ዝካየደሉ ዕለት ዛጊት ኣይተቖጽረን። እቲ ናይ ቀረባ ስድራቤት ንግስቲ ጥራይ ዝሳተፍሉ ናይ መወዳእታ ግብኣተ መሬት ግን ኣብ ውሽጢ’ቲ ቤተክርስትያን ኣብ ዝርከብ መካነ-ዝኽሪ ንጉስ ጆርጅ ሓሙሻይ (King George VI memorial chapel) ሰዓት ሸውዓተን ፈረቓን ተፈጺሙ። ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ ጎኒ እቲ ኣብ ሚያዝያ 2021 ኣብ መበል 99 ዓመቱ ዝዓረፈ ብዓል ቤታ ልኡል ፊሊፕ እያ ተቐቢራ ዘላ። ኣብ ልዕሊ መቓብራ ድማ “Elizabeth 1926-2022” ክጸሓፎ’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዳርጋ ክልተ ሰሙን ኣብ መላእ እታ ሃገር ናይ ሓዘን ድባብ’ዩ ቀንዩ። ኣብ በቦትኡ’ውን ዝተፈላለዩ ንክብርን ዝኽርን ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዝምልከት መደባት ክካየዱ’ዮም ጸኒሖም። ብዓቢኡ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት እታ ሃገርን ወጻእን ዝመጸ ህዝቢ ነቲ ካብ ዝሓለፈ ረቡዕ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ወጋሕታ፡ ክሳብ 24 ሰዓታት ዝወስድ ኣስታት 8 ኪሎሜትር ዝተዘርግሐ መስርዕ ተጸሚሙ ኣብ ኣደራሽ ዌስትሚኒስተር ዝነበረ ሬሳ ንግስቲ ብምብጻሕ ሓዘኑ ክገልጽ ቀንዩ። ማእከል ከተማ ለንደን ዳርጋ ብሓዘንተኛታት’ያ ኣዕለቕሊቓ ቀንያ። ኣብ ዝተፈላለዩ ቤተንግስነታት ድማ ኩምራ ዕንባባታት ይንበር ኣሎ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣስታት 500 ዝኾኑ መራሕቲ መንግስታት፡ ነገስታት፡ ንግስትታት፡ ሰበስልጣን፡ ተሓጋገዝቶምን ናብዛ ከተማ ብምውሓዞም፡ ሓያል ጸጥታ’ዩ ክካየድ ቀንዩ። ብዙሓት መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ተሳቲፎም። ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎዛ፡ ሓድሽ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ናይ ታንዛንያ ሱሉሁ ሳሚያ ሓሰን፡ ናይ ርዋንዳ ፓል ካጋመ፡ ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርን፡ ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ጋና ናና ኣኩፎ-ኣዶ ዝርከብዎም መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ቁጽሮም ስለዝበዝሐ ናብ ዌስትሚኒስተር ብኣውቶቡስ ምዃዶም ኣቓልቦ ብዙሓት ዝሰሓበ ኮይኑ’ሎ። ዓበይቲ ጎደናታትን ድልድላትን እታ ከተማ ተረጊጦም፡ ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ለይትን ቀትርን ኣብ ጎደናታት ተዋፊሮም ቀንዮም።","category":"ንጉስ ቻርልስ ሳልሳይ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c9enkz3e15jo"} {"headline":"ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ፡ ከም ንጉስ ንመጀመርታ ግዜ ንህዝቢ መደረ ኣስሚዑ","content":"ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ፡ ዳግማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ድሕሪ ምማተን ሎሚ ዓርቢ ሰዓት 18፡00 ንፈለማ እዋን ንህዝቢ ዓባይ ብሪጣንያ መግለጺ ሂቡ። \"ዘፍቅራ ወላዲተይ፡ ግርማዊት ንግስቲ፡ ኣብ ምሉእ ሂወታ፡ ንዓይን ቤተሰበይን ኣርኣያ እያ ነይራ\" ክብል ነተን ትማሊ ዝዓረፋ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዘለዎ ክብሪ ገሊጹ። \"ንዝኽሪ ኣደይ ዘለኒ ናእዳን፡ ነቲ ናይ ኣገልግሎት ሂወታ ዘለኒ ክብርን እገልጽ\" ዝበለ እቲ ሓድሽ ንጉስ \"ሞታ ከቢድ ሓዘን ከምዝፈጠረልኩም እፈልጥ፡ ኣነ'ውን ናይቲ መዐቀኒ ዘይብሉ ክሳራ ተኻፋሊ እየ\" ኢሉ። \"ከምቲ እታ ንግስቲ ዝነበራ ነቕ ዘይብል ተኣማንነት፡ ኣነ'ውን፡ ኣብቲ ፈጣሪ ዝህበኒ ዝተረፈኒ ግዜ፡ ነቲ ማእከል ሃገርና ዝኾነ ሕገመንግስታዊ መትከላት ከኽብር ቃል እኣቱ\" ኢሉ። ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ ኣብ ፈላሚ መግለጺኡ፡ \"ኣብ ብሪጣንያ ወይ ኣካላት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ምሉእ ዓለም ኣብ ዘለዋ ግዝኣታት፡ ኣብ ዝሃለኹሞ ሃልዉ፡ ድሕረባይታኹምን እምነትኩምን ዝኾነ ይኹን፡ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገበርኩዎ ብተኣማንነት፡ ብኽብረትን ፍቕርን ከገልግለኩም እየ\" ክብል ገሊጹ'ሎ። ወዱ፡ ልኡል ዊልያም ንዝነበሮ መዝነትን መዓርግን ብምትካእ፡ መስፍን ኮርንዎልን ልኡል ዌልስን ብምዃን ወራሲ-ዘውዲ ክኸውን ምዃኑ'ውን እቲ ንጉስ ኣፍሊጡ። \"ሓቂ'ዩ፡ ነዚ ሓላፍነት እዚ ኣብ ዝወስደሉ ዘለኹ እዋን ሂወተይ ክቕየር'ዩ\" ድማ ኢሉ። እቲ ዝተረከቦ ሓላፍነት ንኩነታት ስድራቤቱ ከምዝቕይሮ'ውን ብምግላጽ፡ \"ደገፍ ናይታ ዘፍቅራ ብዓልቲቤተይ ካሚላ ኣለኒ\" ክብል ተዛሪቡ። ኣብ መወዳእታ መግለጺኡ፡ \"ንዘፍቅራ ማማ ኸኣ፡ ናብ ክቡር ባባ ንክትከዲ ጉዕዞ ኣብ ዝጀመርክሉ እዋን ክብለኪ ዝደሊ፡ የቐንየለይ ጥራይ እዩ። \"ስለ'ቲ ንስድራቤትና ዘርኣኽዩ ፍቕርን ተኣማንነትን፡ ስለ'ቲ ንስድራቤት ሃገራት ብዘይምስልካይ ነዚ ኩሉ ዓመታት ዝሃብክዮ ኣገልግሎት፡ አመስግነኪ። \"በረርቲ መልኣኽቲ ብመዝሙር ናብ መዕረፊኺ የሰንዩኺ\" ክብል ነተን ትማሊ ብሞት ዝተፈልያ ወላዲቱ ግርማዊት ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ተፋንዩወን። ሎሚ፡ “ኲን ኮንሶርት” ዝብል መዓርግ ምስ ዝለበሰት በዓልቲ ቤቱ ካሚላ፡ ናብ ባኪንግሃም ፓላስ ተመሊሱ ኣብ ግዳም ንዝነበሩ ሓዘንተኛታት ረኺቡዎም። ሓዘኖም ብምግላጽ “ጽንዓት ይሃብኩም” ክብሉዎ መስርዕ ንዝሓዙ ኣሽሓት ሓዘንተኛታት ንምጭባጥ አእዳዉ ዘርጊሑ ሰላም ኢሉዎም። እተን ኣብ ታሪኽ ብሪጣንያ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሓ ንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ትማሊ ሓሙስ ኣብቲ ኣብ ስኮትላንድ ዝርከብ ባልሞራል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ዕረፍቲ ቤተን እየን ብሰላም ዓሪፈን። ንጉስ ቻርለስ፡ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ባኪንግሃም ካብ መንግስታዊት ሉሞዚን ወሪዱ ነቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝጸንሑ ሓዘንተኛታት ብሰላምታ ክጭብጦም እንከሎ ጸሓይ ደሚቓ ተራእያ ነይራ። እቶም ህዝቢ፡ ነቲ ኣብ ዙርያ እቲ ቤተ መንግስቲ ዝተገብረ ሓጹር ከይተረፈ ክሰግሩ እናፈተኑ፡ “ኣምላኽ ንንጉስና ይሓልዎ\" እናበሉ ብሓጐስን ሓዘንን ይጭድሩ ነይሮም። ንጉስ ቻርለስ ነቶም ኣማኢት ሓዘንተኛታት ሰላም ክብሎም እንከሎ ካሚላ፡ ቁሩብ ድሕር ትብል ነይራ። እቶም ሰብኣይን ሰበይትን፡ ነቲ ኣብ ኣፍደገ እቲ  ቤተ መንግስቲ እተነብረ ብኣማኢት ዝቝጸር ኩምራ ዕንባባታትን ዘሰነዮ መልእኽትታትን ተዓዚቦም። ብድሕሪኡ፡ በቲ ኣፍ ደገ ሓሊፎም ናብ ቤተ-መንግስቲ ብእግሮም ኣትዮም፡ ህላዌ ንግስነት ንምምልካት ኣብ ናሕሲ ናይቲ ቤተ መንግስቲ ደይቦም። ጸብጻቢ ቤተንግስነት ሾን ካፍላን፡ \"እቲ ግዜ፡ ናይቲ ንጉስ መጻኢ ኣካይዳ ዝእምት ክኸውን ይኽእል እዩ\" ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ዝመጽእ ቀረባ እዋን ንዘሎ ኣዝዩ ጽንኩር እዋን ድሕሪ ምሕላፍ ኣብ ዓለም ኣብ ሓደ ካብቲ ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎ ስራሕ ክቕበል እዩ ኢሉ። ኣባላት ፓርላማ፡ ኣብ ዌስት ምኒስተር፡ ንንግስቲ  ኤልሳቤጥ ኣብ ዝገበሩዎ ናይ ሓዘን ዝኽሪ፡ ሓዳሽ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሊዝ ትራስ ፡ ንግስቲ ኤልሳቤጥ \"ዓለም ካብ እትፈልጦም ዝዓበዩ መራሕቲ ሓንቲ እየን\" ክትብል ገሊጻተን። መራሒ ሰልፊ-ዕዮ፡ ሰር ኪር ስታርመር ብወገኑ፡ ሞት ንግስቲ \"ኣብቲ፡ ሃገርና ደገፍን ምጽንናዕን እንደልየሉ ሓያል እዋን ብምዃኑ ከቢድ እዩ” ኢሉ። ስልጣን ቀዳማይ  ሚኒስተርነቱ ከውርድ ዝሓለፈ ሰሉስ ንንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ ባልሞራል ዝረኸባ ቦሪስ ጆንሰን፡ ነተን ንግስቲ \"ኤልሳቤጥ ዓባይ\" ክብል ድሕሪ ምግላጹ \"ሕጂ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዚመጽእ ወለዶታት እውን ከይተረፈ ንሃገረን ብዙሕ ዝጸዓራ ንግስቲ እየን\" ክብል ገሊጹወን። ሎሚ ዓርቢ ሰዓት 18:00 ኣብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ጳውሎስ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣንን ፖለቲከኛታትን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣጋጣሚ ናይ ዕረፍተን መዘከርታን ኣገልግሎት ጸሎትን ክወሃብ እዩ። ኣብቲ ዝኽሪ ክሳተፉ ንዝደልዩ ሓዘንተኛታት ዝኸውን ኣቐዲሙ ዝመጽአ ዕድል ዝረኽበሉ ኣስታት 2,000 ትኬት ንህዝቢ ተቐሪቡ ኣሎ። ቻርለስ፡ ቀዳም ሰዓት 10:00 ጸምበልቲ ሽማግለ ዓቛሮ-ዘውዲ (Accession Council) ኣብ ዝተረኽበሉ፡ ብቴለቪዥን ኣብ ዝመሓላለፍ ስነ-ስርዓት፡ ብወግዒ ክነግስ እዩ ።","category":"ንጉስ ቻርልስ ሳልሳይ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cgl0177l9pro"} {"headline":"ካብ ነፋሪት ጸዲፉ ዝሞተ በዓል ሞያ ሕክምና ስኒ","content":"ወዲ 24 ዓመት ኣፍጋናዊ ፊዳ ኣብ ሃገሩ በዓል ሞያ ስኒ ዝነበረ ኮይኑ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ካቡል ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ጣሊባን ክትኣቱ ምስተቓረበት ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣምሪሑ። ናብ ወተሃደራዊት ነፋሪት ኣሜሪካ ክሳፈሩ ክብሉ ካብታ ነፋሪት ጸዲፎም ካብ ዝሞቱ ኣፍጋናውያን ሓደ ድማ ኮነ።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cn02q7d2dv9o"} {"headline":"ኣብ ኣፍጋኒስታን ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣስታት ሽሕ ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ኣፍጋኒስታን ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 1500 ድማ ግዳይ መቑሰልቲ ኮይኖም። እቲ ሓደጋ ልዕሊ ዓቕሚ መንግስቲ እታ ሃገር ስለዝኾነ ነታ ሃገር ዘመሓድር ዘሎ ጣሊባን ዓለምለኻዊ ሓገዝ ጠሊቡ'ሎ።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/61978368"} {"headline":"መራሒ ኣልቓዒዳ ኣይመን ኣ'ዘዋሂሪ፡ ብመጥቃዕቲ ድሮን ኣሜሪካ ተቐቲሉ","content":"ኣሜሪካ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ድሮን ንመራሒ ኣልቓዒዳ ኣይማን ኣ'ዘዋሂሪ ከም ዝቐተለቶ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣረጋጊጹ። እቲ መራሒ፡ ሲኣይኤ ብሰንበት ኣብ ካቡል ብዘካየዶ ስርሒት ኣንጻር ግብረ ሽበራ ከም ዝተቐትለ ተሓቢሩ። ኣ'ዘዋሂሪ፡ “ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካውያን ዜጋታት መጥቃዕትን ቅትለትን ፈጺሙ። ሕጂ ግን ፍትሒ ተረጋጊጹ፣ እዚ ኣሸባሪ ኸኣ ድሕሪ ሕጂ የለን” ክብል ባይደን ተዛሪቡ። ንሱ፡ ነቲ ኣብ 2011 ብኣሜሪካ ዝተቐትለ መራሒ ኣልቓዒዳ ዝነበረ ኦሳማ ቢንላደን ዝተክአ ኰይኑ፡ ክልቲኦም ነቲ ብ9\/11 ዝፍለጥ ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ዝሃንደሱ ምዃኖም ይንገር። ብኣሜሪካ ካብ ዝድለዩ ቀንዲ ኣሸበርቲ እቲ ቐንዲ ምዃኑ ድማ ይፍለጥ። እታ ድሮን፡ ኣብ ልዕሊ ኣ'ዘዋሂሪ ክልተ ሚሳይላት ክትድርቢ እንከላ፡ ንሱ ኣብ ቫራንዳ (ባልኮኒ) ከም ዝነበረ ሰብ መዚ ገሊጾም። ካልኦት ኣባላት ስድራኡ’ውን ኣብቲ ከባቢ'ኳ እንተነበሩ፡ ዝዀነ መጕዳእቲ ከምዘይወረዶምን ብምሕባር፡ ዘዋሂሪ ጥራይ ከም ዝተቐትለ ኣረጋጊጾም። እቲ ንወዲ 71 ዓመት መራሒ ኣልቓዒዳ ንምቕታል ዝወጽአ መደብ፡ ኣዋርሕ ከም ዝገበረን ስጕምቲ ክውሰድ ፍቓድ ከም ዝሃበን ባይደን ገሊጹ። እዚ፡ ሓዘን ስድራ ግዳያት መጥቃዕቲ 2011 ከብቅዕ ከም ዝገብር ዝተዛረበ ፕረዚደንት ባይደን፡ “ዝወሰደ ግዜ'ውን እንተወሰደ፡ ዝሕብኣሉ ብዘየገድስ ንህዝብና ስግኣት ክሳዕ ዝዀነ፡ ኣሜሪካ ጐልጒላ ከተውጽኦ’ያ” ኢሉ። ብተወሳኺ ባይደን፡ ኣ'ዘዋሂሪ ነቲ ብጥቅምቲ 2000 ኣብ ዓደን ኣብ ልዕሊ መርከብ ጸረ ሚሳይል ኣሜሪካ ዝዀነት ‘ዩኤስኤስ ኮል’ ዝተፈጸመን ጠንቂ ሞት 17 ኣሜሪካውያን ባሕረኛታት፣ ከምኡ'ውን ኣብ 1998 ኣብ ኬንያን ታንዛንያን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ዝተፈጸመ 223 ሰባት ዝቐተለ ርእሰቕትለታዊ መጥቃዕቲት፡ ካልኦት ሓያለ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲታትን ከም ዝሃንደሰ ኣመልኪቱ። ወሃቢ ቃል ጣሊባን፡ ኣሜሪካ ዝወሰደቶ ስጕምቲ ብቕሉዕ ዓለምለኻዊ መትከላት ዝጥሓሰ እዩ ኢሉ። “ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ተግባራት፡ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ዝተራእዩ ዝፈሸሉ ተመኵሮታት ኣሜሪካ’ዮም፤ እዚኦም ኣንጻር ረብሓታት ኣሜሪካ፡ ኣፍጋኒስታንን እቲ ዞባን’ውን’ዮም” ኢሉ። ሰብ መዚ ኣሜሪካ ግን፡ እቲ ስርሒታት ንሕጋዊ መሰረት ሒዙ ዝተፈጸመ’ዩ ይብሉ። ኣሜሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብታ ሃገር ኣዋፊራቶም ዝጸንሐት ወተሃደራታ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘውጽአት ይዝከር። እዚ ድማ፡ ኣሜሪካ ን20 ዓመታት ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝነበራ ወተሃደራዊ ህላወ ዘብቅዐ እዩ። ብ2020፡ ኣሜሪካ ኣብ ዝፈረመቶ ውዕሊ ሰላም፡ ጣሊባን ኣልቓዒዳ ይዅን ካልኦት ጕጅለታት ሽበራ ኣብቲ ንሱ ዝቈጻጸሮ ከባቢታት ከይንቀሳቐሱ ንኽገብር ተሰማሚዑ ነይሩ። ይዅን’ምበር፡ ኣልቓዒዳን ጣሊባንን ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ልፍንቲ ዘለዎም ኰይኖም፡ ጣሊባን ዘዋሂሪ ኣብ ካቡል ምንባሩ ይፈልጥ’ዩ ክብሉ ሰብ መዚ ኣሜሪካ ይገልጹ። ኣ'ዘዋሂሪ፡ ስነሓሳባዊ መራሒ ኣልቓዒዳ ምዃኑ ዝንገረሉ ግብጻዊ ኰይኑ፡ ኣብ ሃገሩ ዶክተር ዓይኒ ከም ዝነበረን፡ ኣብ 80ታት ብተሳትፎ ኣብ እስላማዊ ጐነጻት ተኸሲሱ ተኣሲሩ ዝነበረ እዩ። ካብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምፍትሑ ድማ ካብታ ሃገር ወጺኡ ኣብ ዓለምለኻዊ ጂሃዳዊ ምንቅስቓሳት ክሳተፍ ጀሚሩ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዓስኪሩ ምስ ኦሳማ ቢንላደን ሓቢሩ ክሰርሕን ኣልቓዒዳ ክምስረትን መሪሕ ተራ ተጻዊቱ። እዚ ግብጻዊ ክኢላ መጥባሕቲ ዓይኒ ዝዀነ ኣ'ዘዋሂሪ፡ ቢን ላደን ብግንቦት 2011 ብሓይልታት ኣሜሪካ ምስ ተቐትለ፡ መሪሕነት ኣልቓዒዳ ተረኪቡ። ገለ ተንተንቲ፡ እቲ ቀንዲ “ቀላሲ” መጥቃዕቲ 11 መስከረም 2011 ንሱ እዩ ኢሎም ይኣምኑ።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4n38wg9ejxo"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን፡ ሰኣን እኹል ሕክምና ጥንሲ ዝኸደን ነብሰ ጾር ኣደታት በዚሐን","content":"ኣብ ኣፍጋኒስታን ብዘሎ ሕጽረት ሰብ ሞያን ማእከላትን ሕክምናን ቍጽሪ ጥንሲ ዝኸደን ነብሰ ጾር ኣደታት ብዕጽፊ ከምዝወሰኸ ተገሊጹ።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cgrygjg26m3o"} {"headline":"ስለምንታይ'ዩ ብተደጋጋሚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘጋጥም?","content":"ኣብዛ እንነብራ ምድሪ፡ ካብ ጥንቲ፡ ኣስታት 1500 ዓመት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣቢሉ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዓበይቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም ዘጋጠመ ኣብ መዛግብቲ ታሪኽ ሰፊሩ ንረኽቦ። እዚ ዓቐኑን ዘውርዶ ጕድኣቱን ዝፈላለ፡ ኣብ ገሊኡ ኸኣ እሳተ ጐሞራዊ ነትጕ ዘሰነዮ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ግን ተደጋጊሙ ክጋጥም ይርአ። እዚ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኣፍጋኒስታን ደጋጊሙ ዝተኸስተ ምንቅጥቃጥ ሓደ ካብኡ ኰይኑ፡ 'ስለምንታይ እዩ ኣብ ውሱን ከባቢ ብተደጋጋሚ ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ዘጋጥም?' ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ'ሎ። እዚ ጽሑፍ እምበኣር፡ ነዚ ሕቶ ከም መበገሲ ወሲዱ፡ ነቲ ባህሪያዊ ክስተት ንኽንርዳእ ብኣብነት ኣፍጋኒስታን ዝቐረበ እዩ። ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ኣብ ውሽጢ ዕስራ ዓመት ካብ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ እቲ ዝኸፍአ እቲ ኣብ ምብራቓዊ ኣፍጋኒስታን ዞባ ፓክቲካ ዘጋጠመ እዩ። ብሰንኪ እዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብውሕዱ 1,000 ሰባት ሞይቶም፡ 3,000 ቈሲሎም ከምኡ'ውን ብኣማኢት ዝቝጸሩ ገዛውቲ ዓንዮም እዮም። ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣዝዮም ዓበይቲ ቀጸላታት (tectonic plates) ሃንደበታዊ ምንቅስቓስ ክገብሩ እንከለዉ ዝፍጠር እዩ። እዞም ቀጸላታት ኣብ ዝጋጨውሉ እዋን መንቃዕቲ የጋጥም። ኣፍጋኒስታን ኣብ ልዕሊ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ነቓዕ ቀጸላታትን ከምኡ'ውን ኣብ መራኸቢ ቀጸላታት ህንዲን ዩሮ-ኤሽያ ስለእትርከብ ንምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተቓልዐት እያ። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ጥራይ ዓቐኖም ካብ 4 ሬክተር ንላዕሊ ዝዀኑ 10 ማእከላይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሞም እዮም። ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዓቐኖም ካብ 1.5 ክሳብ 4 ዝበጽሑ 219 ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጢሞም ነይሮም። እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቀጸላታት ህንዲን ዩሮ-ኤሽያን ኣብ ዝጋጨውሉ እዋን ብዝፍጠር ዝተዋህለለ ምጭንናቕ ዝተፈጥረ እዩ። ዓቐኑ 5.9 ሬክተር ከም ዝነበረ ተመራመርቲ ስነ-መሬት ኣሜሪካ ይገልጹ። እዚ ማለት ዳርጋ 40000 ቦምባ ማለት እዩ፣ ወይ ከኣ ኣብ ሂሮሽማ ዝወደቐ ኣቶሚክ ቦምባ 37 ዕጽፊ ከም ዝኸውን ኤጀንሲ ምሕደራ ህጹጽ እዋን ኣሜሪካ (US Federal Emergency Management Agency) ይሕብር። እዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝፈጠሮ ራዕዲ፡ 500 ኪሎሜተር ርሒቑ ኣብ ፓኪስታንን ህንዲን ዝርከቡ ሰባት ተፈሊጥዎም እዩ። እቲ ዝኸፍአ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ውሽጢ 51 ኪሎሜተር ጥራይ ስለ ዝተፈጥረ ከም ዝዀነ ተመራማሪ ስነመሬት ዶ\/ር ብሪያንባፕቲ ይገልጽ። \"እቲ ክፍሊ ኣፍጋኒስታን ናይ ጐቦ ሂማላያስ እግሪ ዅርባ እዩ” ይብል። \"ኣብዚ እቶም ዓበይቲ ቀጸላታት ብቐጥታ ኣይጋጨዉን። የግዳስ ተንሸራቲቶም እዮም ዝሓልፉ። ከምዚ ዓይነት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዓሚቝ ኣይኮነን። እቲ ምንቅጥቃጥ ግን ንልዕለ መሬት ኣዝዩ ዝቐረበ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመት ኣብ ኣፍጋኒስታን ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ልዕሊ 7000 ሰባት ከም ዝሞቱ ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። እዚ ማለት ኣብ ሓደ ዓመት ብገምጋም 560 ሰባት ይሞቱ። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ምብራቓዊ ኣፍጋኒስታን ልዕሊ 20 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ብዙሓት ገዛውቲ ዓንዮም እዮም። ኣብ 2015 ኣብ ሂንዱ ኩሽ ዘጋጠመ 7.5 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ 399 ቀቲሉ እዩ። እዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክሳብ ቻይና ዢንጂያንግ ዝተሰምዐ ነይሩ። ኣብ 2001 ኣብ ጐቦታት ሂንዱ፡ ኩሽ ዘጋጠመ ክልተ ተኸታታሊ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ልዕሊ 1,100 ከም ዝቐተለ ይዝከር። ኣብ ግንቦት፡ ኣውራጃታት ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝዀና ታኻርን ባዳኽሻንን ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ 4,000 ሰባት ሞይቶም እዮም። ኣስታት 100 ቁሸታትን 16,000 ገዛውትን ክዓንው እንከለዉ፡ 45,000 ሰባት ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም። ብተመሳሳሊ፡ ኣብዘን ኣውራጃታት ኣብ ለካቲት 1998 ዘጋጠመ ምንቅጥቃት ምድሪ 4,000 ቀቲሉ፤ 15,000 ሰባት ድማ ካብ መረበቶም ክመዛበሉ ገይሩ። ጃፓንን ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካን ካብ ኣፍጋኒስታን ዝበዝሕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘጋጥመን ዶ\/ር ብሪያንባፕቲ ይገልፅ። \"ይዅን እምበር ኣፍጋኒስታን ንዝኸፍአ ጕድኣት ዝተቓልዐትሉ ምኽንያት እቶም ገዛውቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክጻወሩ ስለዘይኽእሉ እዩ፡\" ይብል። \"ካብ ጣውላን ብጭቃ ካብ ዝተሰርሐ ጡብን ወይ ድማ ካብ ፎኪስ ኮንክሪት ዝስርሑ ገዛውቲ እዮም።\" ኣብ ኣፍጋኒስታን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘስዓቦ መደራጋሕ መሬት'ውን ብዙሕ ጕድኣት ይበጽሕ የውርድ እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ኣኽራን ኣብ ዝርከባ ቁሸታት ከዕንዎን ወይ ድማ ሩባታት ዓጊቱ ምዕልቕላቕ ማይ ከስዕብ ይኽእል እዩ። ሓደሓደ ግዜ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም ዘጋጠመ ዝገልጽ ዜና፡ ናብ ሰበስልጣን ኣፍጋኒስታን ክሳብ ዝበፅሕ ዝተወሰነ መዓልትታት ይወስድ እዩ። መደራጋሕ መሬት መገዲ ስለ ዝዓጽው፡ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ናብ ርሑቕ ቦታት ኣብ ምብጻሕን መሳርሒታት ኣብ ምጕዕዓዝን ጸገም ይፈጥር። ከም ዝናብ፡ በረድ፡ ግመ ከምኡ'ውን ክቱር ቍሪ ዝኣመሰለ ሕማቕ ኵነታት ኣየር ንድሕነት ዝግበር ጻዕርታት የዐንቅፍ። ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ኣብ ሕማቕ ግዜ ከም ዝተፈጥረ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ እዩ። \"ኣፍጋኒስታን 3.5 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ስለ እተመዛበሉ፡ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው የጋጥማ ኣሎ፡\" ይብል እቲ መግለጺ። \"ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ካልኦት ሰባት ድማ፡ ብሰንኪ'ቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ድኽነትን ጥሜትን ብህይወት ክነብሩ ይቃለሱ ኣለዉ።\"","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c03p9dz363zo"} {"headline":"ጣሊባን ደቀንስትዮ ኣፍጋኒስታን ንበይነን ነዊሕ መገዲ ከይጐዓዛ ኣጊዱ","content":"ጣሊባን፡ ብመጉዓዝያ ምድሪ ነዊሕ መገዲ ክገሻ ዝደልያ ደቀንስትዮ ኣፍጋኒስታን ኣባል ቤተሰበን ብዝኾነ ወዲ ተባዕታይ እንተዘይተሰንየን ኣገልግሎት ከይወሃበን ኣዚዙ። እስላማዊ ጉጅለ ጣሊባን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብታ ሃገር ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንነጀው፡ እቲ ትማሊ ሰንበት ዝወጽአ መምርሒ ንመሰላት ደቂ-ኣንስትዮ ካብ ዝገደቡ መምርሒታት እቲ ዝኸበደ እዩ። መብዛሕትአን ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ደቀንስትዮ ክዕጸዋ እንከለዋ ብዙሓት ደቀንስትዮ እውን ካብ ስራሕ ተኣጊደን ኣለዋ ። ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች እዚ ሓድሽ እገዳ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ተወሳኺ ማእሰርቲ ዝድርኽ ምዃኑ ገሊጹ ። ናይቲ ጉጅለ ኣተሓባባሪ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ሄዘር ባር ንማእከን ዜና AFP ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ ናይ \"[ደቂ ኣንስትዮ] ናይ ምንቅስቓስ መሰል ዝግድብን ኣብ ቤተን ካብ ዘጋጥም ዓመጽን ግህሰት ከምልጣ ዕድል ዝነፍግን እዩ\" ኢላ። እቲ ብምኒስትሪ ምክልኻል ክፍሊ ምቁጽጻር ማሕበራዊ ባህሪያት ዝወጽአ ሓድሽ መምርሒ፡ ደቀንስትዮ ብዘይ መሰነይታ ወዲ ተባዕታይ ንልዕሊ 72 ኪሎ ሜተር ክጓዓዛ ከምዘይብለን ይእዝዝ። እቲ ሰነድ ወሲኹ፡ ዋናታት መጕዓዝያ፡ ንዝኾነት ርእሳ ዘይተሸፈነት ጓል ኣንስተይቲ ኣገልግሎት ከይህቡ ኣጠንቂቑ ኣሎ። ይኹን እምበር እቲ መምርሒ እንታይ ዓይነት መሸፈኒ ክጥቀማ ከምዘለወን ኣይሓበረን። ኣብዚ እዋን እዚ ዝበዝሓ ደቀንስትዮ ናይ ርእሲ ጉልባብ ይገብራ ኣለዋ። ኣብ ርእሲኡ እውን ኣብ መካይን ሙዚቃ ከይውላዕ ተኸልኪሉ ኣሎ። ኣብ ካቡል እትነብር ፋቲማ እትበሃል መሕረሲት፡ በቲ ዝወጽአ መምርሒ \"ሕማቕ ተሰሚዑኒ\" ክትብል ንቢቢሲ ነጊራ። ካብ ሕጂ ንደሓር ነብሰይ ክኢለ ክገይሽ ኣይክእልን እየ። ንባዕለይ ኮነ ውሉደይ እንተ ሓሚምና ብዘይ ሰብኣየይ ሕክምና ክንገብር እውን ኣይንኽእል ኢና\" ክትብል ተዛሪባ። ብምቕጻል \"ጣሊባን ንናጽነትና ገፊፉዎ እዩ - ንሓጐስና እውን በሪዙዎ'ዩ፡ ናጽነተይን ሓጐሰይን ጠፊኡ እዩ\" ኢላ። ካልእ ኣፍጋናዊት ብወገና እቲ ስጉምቲ ደቀንስትዮ \"እፎይታ ክስምዐን\" ዝሕግዝ ምዃኑ እኳ እንተገለጸት ብስድራቤትካ ዝግበር መሰነይታ'ውን ፍጹም ውሕስነት ኣለዎ ክበሃል ከምዘይከኣል ንቢቢሲ ሓቢራ። ንሳ፡ ነቲ ኣብ 2015 ኣብ ፓግማን፡ ኣርባዕተ ደቀንስትዮ ካብ ስድረአን ብብረት ተጨውየን ንዝተዓመጻሉ ፍጻሜ ከም ኣብነት ጠቒሳ። ቀጺላ እውን \"[ጣሊባን] \"ጣሊባን ኣብታ ሃገር ንደቅኣንስትዮ ውሑስ ዝኾነ ኩነታት ክፈጥር ኣለዎ\" ኢላ። ኣመሪካን ሓይልታት ኪዳንን ካብታ ሃገር ድሕሪ ምውጽኦም ስልጣን ዝሓዘ ጣሊባን መብዛሕትአን ሰራሕተኛታት ደቀንስትዮ ኣብ ገዛ ክጸንሓ ክእዝዝ እንከሎ ደቀንስትዮ ካብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ኣጊዱ እዩ። ጣሊባን እቲ ቀይድታት፡ ውሕስነት ጸጥታ ኣዋልድን ደቀንስትዮን ክሳብ ዝረጋጋእ \"ንግዚኡ\" እዩ ይብል። ጣሊባን ኣቐዲሙ ነታ ሃገር ኣብ ዝመርሓሉ ኣብ 1990ታት ደቀንስትዮ ካብ ትምህርትን ስራሕን ተኣጊደን ነይረን። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ እቲ ጕጅለ፡ ደቀንስትዮ ኣብ ናይ ተለቪዥን ድራማታት ከይቀርባ ኣጊዱ እዩ። ንደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታትን ኣቕረብቲ መደብን ከኣ ጸጕረን ክሽፈና ኣዚዙ ኣሎ። ለገስቲ ሃገራት: ንጣሊባን ገንዘባዊ ሓገዝ ቅድሚ ምጅማረን መሰል ደቂ ኣንስትዮ ከኽብር ከም ዘለዎ ሓቢረን ኣለዋ። እታ ሃገር ጣሊባን ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ ትረኽቦ ዝነበረት ኣህጉራዊ ሓገዛት ብምቁራጹ፡ ከቢድ ሰብኣውን ቁጠባውን ቅልውላው ገጢምዋ ኣሎ።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59765768"} {"headline":"ጆ ባይደን ድሕሪ ኵናት ቬትናም ንመጀመርታ ግዜ ንጸሊም ኣመሪካዊ ወተሃደር ናይ ክብሪ ሜዳልያ ሂቡ","content":"ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ንሰለስተ ወተሃደራት ዝለዓለ ሃገራዊ ሜዳልያ ዓዲሉ። ሓደ ካብቶም ወተሃደራት ጸሊም ኣሜሪካዊ ኮይኑ፡ ኣመሪካ ድሕሪ ኵናት ቬትናም ንጸሊም ወተሃደር እዚ ሽልማት እዚ ክትህብ ንፈለማ እዋን'ዩ። እቲ ሰርጀንት ኣልዊን ካሸ ዝተባህለ ጸሊም ኣሜሪካዊ ወተሃደር፡ ኣሜሪካ ኣብ ዒራቕ ኣብ እተካይዶ ዝነበረት ኵናት፡ ኣብ ትነድድ ዝነበረት ወተሃደራዊት መኪና ዝነበሩ ብጾቱ እናኣውጽአ እንከሎ ዝበዝሐ ክፋል ኣካላቱ ብሓዊ ስለ ዝነደደ ህይወቱ ዝሓለፈ እዩ። ብሓፈሻ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍጋኒሰታንን ዒራቕን ኣብ እትገብሮ ዝነበረት ኵናት ናይ መጀመርታ ነዚ ሜዳልያ እዚ ዝተሸለመ ጸሊም ኣሜሪካዊ እዩ። እቶም ክልተ ካልኦት እውን ህይወት ሰብ ንምድሓን ብዘርኣይዎ ትብዓትን ተወፋይንትን እዮም ነዚ ሽልማት እዚ በቒዖም። ወዲ 35 ዓመት ሰርጀንት ኣልዊን ካሸ ኣብ ጥቅምቲ 2005 እታ ንሱን ብጾቱን ዝነበርዋ መኪና ነታጒ ረጊጻ ምስ ተባርዐት ኣብታ መኪና ዝነበሩ ወተሃደራት ዝበዝሑ ክወጽኡ እንከለዉ ነታ መኪና ዝመርሕ ዝነበረ ዝርከቦም ሽዱሽተ ወተሃደራት ግን ኣብ ውሽጡ እቲ ባርዕ ተሪፎም። ሰርጀንት ኣልዊን ካሸ፡ ነቶም ኣብታ ትባራዕ ዝነበረት መኪና ዝነበሩ ወተሃደራት ኣብ ዘውጽኣሉ ዝነበረ እዋን ክዳኑ ነዳዲ ስለ ዝፈሰሶ፡ ንኹሎም በብሓደ'ኳ እንተኣውጽኦም 75 ሚኢታዊት ካብ ኣካላቱ ስለ ዝነደደ፡ ድሕሪ ሰለስተ ሳምንታት ክመውት ክኢሉ። ጆ ባይደን ብሓሙስ ኣብ ዋይት ሃውስ ኮይኑ ነቲ ናይ ክብሪ ሜዳልያ ኣብ ዝዕድልለሉ ዝነበረ \"ሰርጀንት ኣልዊን ካሸ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዝኾነ ወተሃደር ኣብ ውሽጢ እታ መኪና ክተርፍ ኣይፈቐደን\" ድሕሪ ምባል \"ንብጾቱ ከውጽእ ናብ ሓዊ ጠኒኑ ኣትዩ\" ኢሉ። ኣብቲ ስነ ስርዓት ሽልማት ሜዳልያ ደቁን ብዓልቲ ቤቱን ንሰርጀንት ኣልዊን ካሸ ተረኺቦም ነይሮም። ብመሰረት ዋሽንግተን ፓስት ኣብ ገጻታ ዘስፈረቶ ጽሑፍ፡ ዶናልድ ትራምፕ ቅድሚ ካብ ስልጣን ምውራዱ ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ንሰርጀንት ኣልዊን ካሸ ናይ ክብሪ መዳልያ ክህቦ'ኳ ውጥን ወጺኡ እንተነበረ፡ ደገፍቱ ንካፒቶል ስለ ዝወረርዎ ብስግኣት ናይ ጸጥታ እቲ ስነ ስርዓት ከይተገበረ ተሪፉ። ፕረዚደንት ጆ ናይደን ብዘይካ ንሰርጀንት ኣልዊን ካሸ፡ ንወዲ 41 ዓመት ሰርጀንት ኢርል ፕላምሊ ኣብ 2013 ኣብ ኣፍጋኒስታን ዞባ ጋዝኒ፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ዝነበርዎ መዓስከር ክፍጸም ንዝተሓሰበ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ምፍሻል ብዘርኣዮ ትብዓት ሜዳልያ ሸሊምዎ። \"ሰርጀንት ኢርል ፕላምሊ፡ ነታ ሒዝዋ ዝነበረ ፋኳስ ብረት ጥራይ ገይሩ፡ ንድሕነቱ ቀዳምነት ከይሃበ ንዝተጎድኡ ብጾቱ ኣብ ምውጻእን ነቲ ዝተሓሰሰበ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ምፍሻል ዓቢ ጅግንነት እዩ ኣርእዩ\" ኢሉ። ሰርጀንት ኢርል ፕላምሊ፡ ኣብቲ እዋን ብዙሕ ጥይት እዃ እንተተኮሱ ፈኵስ መውጋእቲ ጥራይ እዩ ኣጋጢምዎ። ሰርጀንት ኢርል ፕላምሊ ምስ ዋሽንግተን ፖስት ኣብ ዝገበሮ ሓጺር ቃለ መሕተት \"ክሳብ ሕጂ ከመይ ኢሎም'ዮም ዝስሑቱኒ ነይሮም ኣዝዩ እዩ ዝገርመኒ\" ኢሉ። ኣብ 2018 ኣብ ኣፍጋኒስታን ዞባ ፓኪታ ሓንቲ ንህሩማት ተውጽእ ዝነበረት ሄሊኮፕተር ክትቃጸልእ ምስ ጀመረት፡ ነቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ውጉኣት እናኣውጽአ እንከሎ ህይወቱ ዝሓለፈት ኣባል ወተሃደራዊ ኮማንዶ ኣሜሪካ ነበር ሰርጀንት ክሪስቶፈር ሰሊዝ እቲ ካልእ ነቲ ሽልማት ዝበቕዐ ወተሃደር እዩ።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59694156"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን፡ ኣብ መስጊድ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብዙሓት ተቐቲሎም","content":"ኣብ ኣፍጋኒስታን ከተማ ኩንዱዝ ሱኒ ሙስሊም ጸሎተ ዓርቢ ኣብ ዘብፅሕሉ ዝነበሩሉ እዋን ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ 33 ሰባት ተቐቲሎም ህፃናት ዝርከብዎም ካልኦት 43 ድማ ከምዝቖሰሉ ተገሊፁ። እዚ ኣብ መስጊድ ማውላዊ ሰካንዳር ሱፊ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፡ ኣብዛ ሰሜናዊት ከተማ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ዝተፈፀመ ካልኣይ ግብረ ራዕዳዊ መጥቃዕቲ እዩ። ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብቲ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣርባዕተ ግብረ ራዕዳዊ መጥቃዕትታት ዝተፈፀሙ እንትኾኑ፡ ኩሎም ድማ ብእስላማዊ ጉጅለ ኣይ ኤስ ከምዝተፈፀሙ ተገሊፁ። ጣሊባን ኣብ ልዕሊ ኣይ ኤስ ዓወት ከምዝተጎናፀፈ እኳ እንተገለፀ፡ እቲ ጉጅለ ግና ነቶም ሓደሽቲ ኣማሓደርቲ ዓብይ ናይ ፀጥታ ፈተና ኮይንዎም ይርከብ። ነቲ ትማሊ ዓርቢ፡ ኣብ ከተማ ኩንዱዝ ኣመንቲ ምስልምና ፀሎተ ዓርቢ ኣብ ዘብፅሕሉ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፡ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን። ሓደ ነጋዳይ እቲ ከባቢ: ንማእኸል ዜና AFP ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ \"ከባቢ እቲ መስጊድ ዘሰንብድ እዩ ነይሩ\" ኢሉ። እዚ ነትጒ፡ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ናይ ሽዓ መስጊድ ማዛር ኣል ሻሪፍ ዝተፈፀመን 31 ሰባት ቀቲሉ 87 ሰባት ዘቑሰለን መጥቃዕቲ ተመሳሳሊ'ዩ ነይሩ። ኣብታ ከተማ ብሓሙስ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ሰባት ተቐቲሎም 18 ሰባት ድማ ቆሲሎም'ዮም። ነዞም መጥቃዕትታት ከምዝፈፀመ ዝተኣመነ ጉጅለ ኣይ ኤስ፡ ንቅትለት መራሒኡን ወሃቢ ቃልን ነበር ሕነ ንምፍዳይ ከምዝፈፀሞም ገሊፁ። ወሃቢ ቃል ጣሊባን ዛቢሁላህ፡ ነዚ መጥቃዕቲ ሰይጣናዊ ተግባር ክብል ኮኒንዎ። ኣብ ኣፍጋኒስታን ምክትል ተወካሊ ሕቡራት ሃገራት ራሚዝ ኣላክባሮቭ ኣብዚ ሰሙን ዝተፈፀሙ መጥቃዕትታት፡ ህዝቢ ኣፍጋኒስታን በብመዓልቱ ዘጋጥሞ ዘሎ ከቢድ ናይ ድሕነት ስግኣት እዩ ኢሉ። ኣሜሪካን ሓይልታት ሃገራት ምዕራብን ድሕሪ 20 ዓመታት ካብ ኣፍጋኒስታን ምስወፁን ጣሊባን ናብ መንበር ስልጣን ምስ ደየበን፡ ኣብታ ሃገር ዝፍፀሙ መጥቃዕትታት ቦምባ ነኪዮም'ዮም። ኣብዚ እዋን ጉጅለ ኣይኤስ ኣብታ ሃገር ዋላ ሓደ ዝቆፃፀሮ ግዝኣት የብሉን፤ መነሓንሕቶም ጣሊባን ስልጣን ካብ ዝጭብጡ ቅድሚ ሕዚ ቁመና ኣብ ዘይነበሮም ከባብታት መጥቃዕትታት እናፈጸሙ ይርከቡ።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/61189319"} {"headline":"ኣብ ኣፍጋኒስታን ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብውሑዱ 1,000 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ኣፍጋኒስታን ብሰሉስ ዘጋጠመ ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ እንተወሓደ 1000 ሰባት ከምዝቐተለን ብዙሓት ካልኦት ከም ዘቝሰለን ናይታ ሃገር መንግስታዊ ትካል ዜና ገሊፁ። ኣብ ምብራቓዊ ኣውራጃ ፓክቲካ፡ መደራጋሕ፡ ዝዓነዉ ኣባይትን ሰራሕተኛታት ሂወት ኣድሕን ነቶም ዝቘሰሉ ሰባት ንምሕካም ልዕልን ታሕትን ክብሉ ዘርእዩ ኣሳእል ተዘርጊሖም ኣለው። ኣብ ምሕድግ ዝበለ ቦታታት ሄሊኮፕተራት ነቶም ግዳያት ናብ ሆስፒታላት የብጽሓ ኣለዋ። ኣብቲ ኸባቢ ዝርከብ ትካል ዜና ባክታር፡ ቍጽሪ እቶም ዝሞቱ ሰባት ክውስኽ ከም ዝኽእል ገሊፁ። ወሲኹ'ውን ልዕሊ 1500 ሰባት ከምዝቘሰሉ ሓቢሩ። \"እቲ ዘሕዝን ትማሊ ምሸት ኣብ ኣርባዕተ ኣውራጃታት ፖክቲካ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ። እዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እዚ ብኣማኢታት ዝቝጸሩ ደቂ ዓድና ቐቲሉን ኣቝሲሉን ሓያሎ ኣባይቲ’ውን ኣዕንዩን እዩ\" ክብል ኣፈኛ መንግስቲ ቢላል ካሪሚ ትዊት ገይሩ። \"ኵለን ትካላት ረድኤት ተወሳኺ ዕንወት ምእንቲ ኸየጋጥም ብኡንብኡ ጕጅለታት ናብቲ ኸባቢ ክልእካ ንምሕጸነን\" ሰበ ስልጣን ጣሊባን ትካላት ረድኤት ናብቲ ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ዝርከብ ጕድኣት ዝወረዶ ኸባቢ ብህጹጽ ንኽመፁ ፃውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ። መብዛሕትኦም ካብቶም ግዳያት ኣብቲ ኣብ ፓክቲካ ዝርከብ ኣውራጃታት ጋያንን ባርማልን ከምዝኾኑ ሓደ ናይቲ ዓዲ ሓኪም ንቢቢሲ ገሊፁ። ኤቲላት-ኤ ሮዝ ዝበሃል ኣብቲ ኸባቢ ዝርከብ መራኸቢ ብዙሓን ሓንቲ ኣብ ጋያን እትርከብ ቍሸት ከም ዝዓነወት ኣቃሊሑ። ኣብ ልዕሊ 500 ኪሎሜተሮ ርሒቑ ኣብ ኣፍጋኒስታን ፓኪስታን ከምኡ'ውን ህንዲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ እዩ። መሰኻኽር የሆዋ ኣብ ካቡልን ኢስላምባድን ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም እተሰምዖም ገሊጾም። ይዅን እምበር ብኡንብኡ ብዛዕባ ምዉታት ዝገልጽ ጸብጻብ ኣይተረኽበን፣ ቢቢሲ ኡርዱ ከም ዝገለጾ ኸኣ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ፓኪስታን ብዙሕ ጕድኣት ኣየውረደን። እቲ ኣብ ኣኽራን ብዙሓት ኣብ ዝደቀሱሉ እዋን ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ዓቐኑ 6.1 ሬክተር ከም ዝነበረ ተመራመርቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ይገልፁ። ኣፍጋኒስታን ንምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተቓልዐት ሃገር እያ። ዘይጽኑዕን ብግቡእ ዘይተሃንጸ ኣባይትን ኣብ ዘለውዎም ሓያሎ ገጠራት ኣፍጋኒስታን፡ ከቢድ ጕድኣት ናይ ምስዓብ ተኽእሎታት አለዎ። ትካላት ረድኤት ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንገለኡ ህንጻታት ንምድልዳል ጻዕሪ'ኳ እንተ ገበራ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ግጭት ነታ ድኻ ሃገር ምንቅጥቃጥ ምድርን ካልእ ባህርያዊ ዕንወትን ንኽትከላኸል ኣጸጊምዋ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመት ኣብታ ሃገር ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ልዕሊ 7,000 ሰባት ሞይቶም እዮም። ኣብ ዓመት ብገምጋም 560 ሰባት ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ይሞቱ።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cg368pn5342o"} {"headline":"ቅልስ ንምንባር ኣብታ ብሕጽረት ሰልዲ ትሳቐ ዘላ ኣፍጋኒስታን","content":"ወዲ 5 ዓመት ፋዝሉር ራሕማን ኣብ ክሳዱ ደረጃ ኣርባዕተ ዝስራዕ ሕበጥ ኣለዎ፤ ኣፍጋናውያን ዶኳትር ኸኣ በታ ዘላቶም ህይወት እዚ ህጻን ንምድሓን ‘ብኬሞቴራፒ’ ይቃለሱ ኣለዉ። ፋዝሉር ራሕማን ኣብታ ብሕሙማት ጭቕጭቕ ዝበለት ኣብ ካቡል ትርከብ መሐከሚ ሕሙማት መንሽሮ እዩ ዘሎ። እዛ ሕክምና፡ ኣብ ምሉእ ኣፍጋኒስታን ካብ ዘለዋ ሕሙማት መንሽሮ ዝናበዩለን ሰለስተ ሆስፒታላት ሓንቲ እያ። ኣብዛ ሕክምና፡ እቲ ዝውሃብ ዓለምለኻዊ ረድኤት ዘምጽኦ ዘሎ ውጽኢት ብርኡይ’ዩ ዝርአ፡ ጎኒ- ገኑ ኸኣ ብዙሕ ከምዝተርፍ ንኸተስተብህል ይሕግዘካ። እቲ ንሕሙማት መንሽሮ ዝውሃብ ኣገልግሎት ሕክምና ማሕበር ቀይሕ መስቀል ቀረባት ስለዘዳለወ ብናጻ’ዩ ዝውሃብ፡ እንተኾነ ተሓከምቲ ንገለ ኣብቲ ሕክምና ዘየለ መድሃኒት ብሰልዶም ካብ ደገ ክገዝእዎ ይግደዱ እዮም። ዋጋ መድሃኒት መንሽሮ ኸኣ ኣይኮነንዶ ነቶም ብሕጽረት ሰልዲ ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣፍጋናውያን ኣብ ካልእ ሃገራት’ውን ዝልከፍ ኣይኮነን። ጣሊባን ንመላእ ኣፍጋኒስታን ምስ ተቆጻጸራ፡ ቁጠባ እታ ሃገር ባይታ እዩ ዘቢጡ። ኣቡኡ ንፋዝሉር ራሕማን ኣቶ ዓብዱ ባሪ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ኣፍጋኒስታን ብሕርሻ ዝናበር ኮይኑ ንወዱ መድሃኒት ንኽገዝኣሉ ዘድልየኡ 100 ዶላር ንምርካብ ኣዝዩ እዩ ተሸጊሩ። ንሱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት “ካብ ዝኾነ ዝፈልጦ ሰብ እየ ሰልዲ ክልቃሕ ጸኒሐ፡ ካብ ዝነብረሉ ቦታ ናብ ካቡል ንምምጻእ መኽፈሊ መጓዓዝያን ንምድሃኒትን ዘጥፍኦ ሰልዲ ኣዝዩ ልዕሊ ዓቕመይ’ዩ” ይብል። ቅድሚ ሕጂ 75 ሚኢታዊት ካብቲ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ዝባኽን ሰልዲ ካብ ወጻኢ ብዝውሃብ ሓገዛት’ዩ ዝሽፈን ነይሩ። ጣሊባን ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ግን እቲ ካብ ማሕበረሰብ ዓለምን ካብ ምዕራባውያን ሃገራትን ንኣፍጋኒስታን ዝወሃብ ዝነበረ ሓገዛት ደው ኢሉ። ኣስታት 9 ቢልዮን ዶላር ኣብ ደገ ተኸዚነ ዝነበረ ሰልዲ ኣፍጋኒስታን’ውን ከምዝድስክል ስለዝተገበረ እታ ሃገር ብሕጽረት ሓገዝን ሰልድን ኣብ ከቢድ ስቃይ’ያ ተሸሚማ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወጽአ ጸብጻብ ባንኪ ዓለም ከምዘነጽሮ፡ ልዕሊ ሰለስተ ርብዒ ካብ ህዝቢ ኣፍጋኒስታን ንሕጽረት መሰረታዊ ቀረባትን መግብን ተቃሊዑ ከምዘሎ የነጽር። ጓል 50 ዓመት ካብ ሰሙናዊ ዞባ ታክሃር ዝመጽእት ማዛርያ ሓንቲ ካብቶም ኣብ ካቡል ሕክምና መንሽሮ ዝግበረሎም ዘለዉ ሕሙማት’ያ። ንሳ’ውን ዛንታኣ ልክዕ ከም ናይ ህጻን ፋዝሉር ራሕማን’ዩ። ንሳን ስድርኣን ንመግዝኢ መድሃኒት ዝነበርዎም ጥሪት ከምዝሸጥዎም’ያ ትገልጽ። “እንታይ ድኣ’ሞ ክንገብር?” ብምባል ዘረባኣ ብሕቶ ትጅምር ማዛርያ “ዝነበሩና ከብትን ኣድግን ሸይጥናዮም ኢና ሕጂ ኣብ ኢድና ዝተረፈና የብልናን” ትብል። ብምስዓብ “ካብ ሓወይ፡ ካብ ኣዝማድ ብዓል ቤተይን ጎረባብትን ሰልዲ ተለቂሕና ንሱ’ውን ንመግዝኢ መድሃኒት ተጠቒምናሉ ሕጂ ጥራይ ጁባና ኣብ ልዕሊኡ ልቃሕ ተወሲኽዎ ኣብ ዓቢ ወጥሪ ኢና ዘለና” ትብል። ዶክተር ማኑቸር ሓላፊ ሕክምና ዋርድ ተሓከምቲ መንሸሮ’ዩ። ንሱ፡ ኣባላት እቲ ሕክምና ማሕበር መስሪቶም ነቶም ኣዝዮም ዝተሸገሩ ሕሙማት መድሃኒት ይገዝኡሎም ምንባሮም ይገልጽ። “ሕጂ ግን ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ እቶም ክሕገዙ ዘለዎምን ካባና ዝጽበዩን በዚሖም እቲ ዝነበረና ባጀት ኸኣ ተወዲኡ” ብምባል የዕሊልና። እቲ ክፍሊ መሐከሚ ሕሙማት መንሽሮ፡ ቁሩብ ደሞዝ ንሰራሕተኛታትን ቁሩብ መድሃኒትን ብቀይሕ መስቀል ይውሃቦ ስለዘሎ ይቕጽል ምህላዉ ብምሕባር፡ ትሑዝ ባጀት ግን ከምዘይብሉ ዶክተር ማኑቸር ኣብሪሁ። ብምንጽጻር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር 1 ሚልዮን ዶላር ባጀት ተሰሊዕሎም ምንባሩ እቲ ዶክተር ይሕብር። ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ተኸሲቱ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍኳስ 4 ቢልዮን ዶላር ከምዘድሊ’ዩ እማመ ኣቕሪቡ ዘሎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንሰብኣዊ ቅልውላው እታ ሃገር ኣመልኪተን ዓበይቲ ሃገራት ኣብ ዝተጋበኣኣሉ ብጠቅላላ 2.4 ቢልዮን ዶላር ክልግሳ ምዃነን ቃል ኣትየን ኣለዋ። ህጻናት ኣፍጋኒስታን ብጉድለት መኣዛዊ መግብታት ይሳቐዩ ምህላዎምን፡ ስድራቤታት ንዘለዎም ሕጽረት ገንዘብ ንምፍዋስ፡ በተን ብገዝሚ ዝረኽብወን ገንዘብ ዝተረፉ ደቆም ንምዕንጋል ንመርዓ ዘይኣኸላ ደቆም የመርዕውወን ከምዘለዉ ዝገልጹ ጸብጻባት ይወጽኡ ኣለዉ። ሰራሕተኛታት ትካላት ውሃብቲ ረድኤትን ገለ ዲፕሎማሰኛታት ግን ጸገም ኣፍጋኒስታን ቀጻልነት ፍታሕ ክናደየሉ ከምዘለዎ’ዮም ዝማጎቱ። እቲ ደስኪሉ ዘሎ ኣስታት 9 ቢልዮን ዶላር ሰልዲ ኣፍጋኒስታን ኣብ ኢድ ጣሊባን ምእታው ኸኣ ንዓለም ካልእ ስግኣት ምዃኑ ዝገልጹ ውሑዳት ኣይኮኑን። ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ምስተቖጻጸራ ኮተቴታት ደቂ ኣንስትዩ ናብ ትምህርቲ ከይከዳ ዝለዝኸልከለ፡ እቶም ረድኤት ክልግሳ ዝሓስባ ትካላት ሓሳብን ዳግመ ግምት ክገብራሉ ተቐሲበን’የን። ናብቲ ምብራቓዊ ጫፍ ካቡል ዝርከብ ግዝያዊ መጽለሊ ተመዛበልቲ ምብጻሕ ኣካይድና ነይርና፡ ኣብኡ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው እዚ ኢልካ ክትገልጾ ዘይትኽእል ኣዝዩ ክፉእ’ዩ ዘሎ። እቶም ኣብኡ ዝረኸብናዮም ተፈናቐልቲ፡ ኵናት’ኳ እንተተወደ፡ ናብ መበቖል ዓዶም ንኽኸዱን ዳግማይ ‘ሀ’ ኢሎም ናብራ ንኽጅምሩ ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘይብሎም’ዮም ንቢቢሲ ገሊጾም። ተማሃሮ መግዝኢ ድቪዛ ስኢኖም ካብ ትምህርቲ ክቦኽሩ ምርኣይ ኣብ ኣፍጋኒስታን ንቡር’ዩ ኮይኑ ዘሎ፡፡ ወዲ 12 ዓመት ፓርዋን ሓደ ካብኦም ኮይኑ፡ ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ስድርኡ ናውቲ ትምህርትን ዲቪዛን ዘግዝእ ዓቕሚ ስለዘይብሎም ከምህርዎ ኣይክኣሉን፡፡ ካብ ትምህርቲ ቦኺሩ ኣብ ገዛ’ዩ ዝውዕል ዘሎ። ኣብ ውሽጢ ከተማ ካቡል፡ ኣብ ከባቢ እተን ሕብስቲ ዝሽየጠለን ዱኳናት ኣብ ማርቻበዲ ኮፍ ዝበሉ ቆልዓ ሰበይቲ ምርኣይ ንቡር እዩ ኮይኑ ዘሎ። እቶም ኣብ ማርቻበዲ ኮፍ ዝብሉ ቆልዓ ሰበይቲ፡ ገለ ካብቶም ናብቲ ዱኳን ዝመጽኡ ዓማዊል ገለ ሕብስቲ እንተገዝኡሎም ዝልምኑ’ዮም። እዚ ኣብ ካቡል ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ንቡር ዘይነበረ ተርእዮ እዩ።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61206802"} {"headline":"ምንቅጥቃጥ መሬት ኣፍጋኒስታን: እቶም ብህይወት ዝተረፉ እውን ዘስካሕክሕ ዋጋ ይኸፍሉ ኣለው","content":"ስድራ ቤት ራህማት ጉል፡ ድሕሪ እቲ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ብኣፍጋኒስታናዊ ፖለቲከኛታት ነበር ዝተወፈየ ቴንዳ ኣብ ምትካል ተጸሚዶም ኣለዉ ። እቲ ብማሕበር ቐይሕ ወርሒ ዝተወፈየ ቴንዳታት ኣብ ሓደ  ሕጂ ከምቤት ዝጽዋዕ ቓልዕ ጎልጎል ጥቓ ጥቓ ተተኺሉ ይርከብ። እቲ ኣብ ኣውራጃ ጋያን ዝርከብ ገዝኦም፡ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ደቡባዊ ምብራቓዊ ኣፍጋኒስታን ብዘጋጠመ ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዓንዩ እዩ። በቲ ሓደጋ ሸውዓተ ኣባላት ስድርኡ ደቂሶም ከለዉ ሞይቶም። \"ሰለስተ ኣዋልደይን ኣርባዕተ ደቂ ደቀይን ሞይቶም፡ ልበይ ተሰይሩ እዩ ዘሎ። ይኹን እምበር  ካልኦት ክንክንዘድልዮም ውጻእ መዓት ኣለውኒ” ኢሉ ራህማት ጉል። እታ ስድራ ቤት፡ ነቲ ድሕሪ ከቢድ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝዘነመ ዝናብ ኣብ ነብሳ እያ ኣጽሕያቶ። \"ሓገዝ ንደሊ ኣሎና። ዝነበረና ዘበለ ኩሉ ጠፊኡ እዩ” ካበየ ኩርንዑ ነቶም ግዳያት ዝኸውን ሓገዝ ይውሕዝ ኣሎ። ካብ ውድብ  ሕቡራት ሃገራትን፡ካብ ኣህጉራውን ከባብያውን ማሕበራት ግብረ ሰናይ፡ ካብ መንግስቲ ጣሊባንን ከይተረፈ ረድኤት ይውሕዝ ኣሎ ። ኣብ ጥቓ እቲ ራህማት ጉል ቴንዳ ተኺሉሉ ዘሎ ቀጽሪ፡ ቀይሕ ወርሒ፡ ዘይቲ ብልዕን ኮቦርታን ይዕድል ኣሎ ። \"ኩሉ ነገር እዩ ዘድልየና፡ ምኽንያቱ ኩሉ’ቲ እንውንኖ ዝነበርና ነገራት ኣብ ደቦቕቦቓን ጭቃን ትፋእ እሳተ ጎመራ ተቐቢሩ እዩ\" ይብል  ኣብ  መንጎ ብዙሓት ሰባት ኮፍ ኢሉ ረድኤት ክቕበል ተርኡ ዝጽበ ዝነበረ ሰብኣይ። እቲ ኣብ ማእከል ከተማ ጋያን ዝርከብ ንእሽቶ ቐጽሪ፡ ናብ ሓደ ክፉት ናይ ረዲኤት መኽዘን ተቐዪሩ ኣሎ። ኣብቲ ቦታ ረድኤት ዘመላልሳ ናይ ጽዕነት መኻይን መሊአን ኣለዋ። ኣፍጋኒስታን ከኣ ብቊጠባውን ሰብኣውን ቅልውላው ተጠቒዓ ኣላ። እዚ ኣብ ኣውራጃ ጋያን ዝርከብ ሓደ ብኸፊል ዝፈረሰ ህንጻ፡ መርኣያ ናይቲ ዘጋጠመ ሰፊሕ ዕንወት እዩ። ጣሊባን ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ ፡ ማእከላይ እቶት ሓደ ኣፍጋን ብሓደ ሲሶ ጎደሊ እዩ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ከኣ ይጠምዩ ኣለው። ሰብኣዊ ሓገዝ  ብመጠኑ እኳ እንተሎ፡ መብዛሕትኡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ መንግስቲ ዝምወሎ ዝነበረ ሓገዛት ጎዲሉ እዩ። ብሰንኪ’ዚ ከኣ እቶም ኣብ ፓክታካን ኮስትያን ዝነብሩ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ስድራ ቤታት፡ ግዳም ሓደር ኰይኖም ኣለዉ ። ገና ሕክምናዊ ክንክን ዘድልዮ መጉዳእቲ ናይ ብዙሓት ሰባት ኣሎ። ነታጒ ኣብ ምጽራይ ዝሰርሕ ትካል ግብረሰናይ ሃሎ ከኣ ተንቀሳቓሲ ክሊኒካት ጥዕና መስሪቱ ዓቕሙ ይገብር ኣሎ። ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ሕጽረት መግቢ ኣጋጢሙ ኣሎ። ሕማም ፌራ እውን ተፈሪሑ ኣሎ። ኪኢላ ጥዕና ናቅቡላህ ኣብ ቴንዳ ኮይኑ ንዝተጎድኡ ቖልዑ ይሕክም ኣሎ። ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ባራኩላ ብፍርስራስ  መንደቕ ኢዱተጎዲኡ ይቑንዞ ኣሎ። ናቅቡላ ነቲ ተጀኒኑ ዝነበረ ኢድ ናይቲ ቖልዓ ፈቲሑ ድሕሪ ምርኣይ \"ብዙሓት ዝተጎድኡ ቈልዑ ኣለዉና\" ክብል ገሊጹልና። ገሊኦም ፍሉይ ሕክምናዊ ክንክን ስለዘድልዮም ብወተሃደራዊ ሄሊኮፕተር ናብ ካቡል ተላኢኾም ኣለው።  እተን ጉድኣትዘጋጠመን ኣቝሻት ካብታ ዝቐረበት ዓባይ ከተማ እንተወሓደ ብመኪና ናይ ሰለስተ ሰዓት ርሕቀት እየን ዝርከባ። እቲ መገዲ እውን ፈጺሙ ጥጡሕ ኣይኮነን። እቲ ናይ እግሪ መጕዳእቲ ዝወረዶ ዛርማ ጉል  ነታ ብኹምራፍርስራስ ዝተደብየት ቤቱ ኣርእዩና። እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስ ኣጋጠመ፡ ካብ ስድራ ቤቱ ቅድም ንመን ከም ዘድሕን ኣብ መዋጥር ኣተወ ። በዓልቲ ቤቱ ብፍርስራስ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ሞይታ ። \"ናሕስን መናድቕን ምስ ፈረሰ፡ ሰበይተይ፡ 'ርድኣኒ' ኢላ ኽትጽውዕ ሰማዕኩ፣ ጓለይ እውን ኣብቲ ክፍሊ ስለ ዝነበረት፡ ቀዲመ ንዓኣ ኣውጺአያ\" ይብል ። ድሕሪኡ ናብቶም ኣብ ካልእ ክፍሊ ዝነበሩ ደቁ ደሃዮም ክገብር ከይዱ። ካብኡ ናብ ሰበይቱ ምስ ተመልሰ ሞይታ ጸኒሓቶ። እቲ ህዝቢ ንዓመታት ብዝቐጸለ ውግእን ዘጋጠመ ቁጠባዊ ቅልውላውን ደኺሙ እዩ። ሕጂ ከኣ  ሓድሽ ቅልውላውባህሪያዊ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢምዎ ።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv26nnrg12ko"} {"headline":"ብኣሜሪካ ዝተቐትለ መራሒ ኣልቓዒዳ ኣይመን ኣ'ዘዋሂሪ መን እዩ?","content":"ኣሜሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ዝተቐትለ ኣይመን ኣ'ዘዋሂሪ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ቀንዲ ስነ-ሓሳባዊ ኣልቓዒዳ ተባሂሉ ይጽዋዕ ነይሩ። ንሱ ናይ ግብጺ እስላማዊ ጅሃድ ዕጡቕ ጕጅለ ንምምስራት ተራ ዝነበሮ ሓኪም መጥባሕቲ ዓይኒ ኰይኑ፡ ኣብ ግንቦት 2011 ኦሳማ ቢን ላደን ብሓይልታት ኣሜሪካ ድሕሪ ምቕታሉ፡ መሪሕነት ኣልቓዒዳ ሒዙ። ቅድሚኡ፡ ዘዋሂሪ ከም የማናይ ኢድ ቢንላደን ይቝጸር ነይሩ። ገለ ክኢላታት ድማ እቲ ብ 11 መስከረም 2001 ኣብ ኣሜሪካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቀንዲ ሃንዳሲኡ ምዃኑ ይኣምኑ። ዘዋሂሪ ኣብ 2001 መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ ዝርዝር 22 \"ኣውራ ተደለይቲ ግብረሽበራውያን\" ድሕሪ ቢን ላደን ኣብ ካልኣይ ተርታ ተሰሪዑ ነይሩ። ዘዋሂሪ ንኽትሓዝ ንዝሓገዘ ሰብ ድማ ናይ 25 ሚልዮን ዶላር ሽልማት ተመዲቡ ነይሩ። ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን መወዳእታ ኣብ ካቡል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድማ ተቐቲሉ። ኣሜሪካ ንኣ'ዘዋሂሪ ዒላማ ክትገብር ንፈለማ እዋን ኣይነበረን። ኣብ ጥሪ 2006 እውን ፓኪስታን ምስ ኣፍጋኒስታን ኣብ ትዳወበሉ ከባቢ፡ ብሚሳይል ኣሜሪካ ዒላማ ኰይኑ ነይሩ። በቲ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ኣባላት ኣልቓዒዳ ክቕተሉ እንከለው፡ ዘዋሂሪ ግን ብህይወት ተሪፉ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ብቪድዮ ተራእዩ። ንፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ ድማ ንሱ ይዅን \"ኵሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሓይልታት\" ነታ ዕምሩ ብሓንቲ ካልኢት'ውን ከቕርቡዋ ዓቕሚ ከም ዘይብሎም ተዛሪቡ። ኣብ ካይሮ ርእሰ ከተማ ግብጺ ብ19 ሰነ 1951 ዝተወልደ ዘዋሂሪ፡ ኣባል ክቡር ስድራቤት ሓካይምን ምሁራትን እዩ። ኣቦሓጐኡ ራብያ ኣ'ዘዋሂሪ፡ ዓቢይ ኢማም ናይቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ማእከል ትምህርቲ ሱኒ እስላም ዝዀነ ኣል-ኣዝሃር ዩኒቨርሲቲ ክኸውን እንከሎ፡ ሓደ ካብ ኣኮታቱ ድማ ቀዳማይ ዋና ጸሓፊ ሊግ ዓረብ እዩ ነይሩ። ዘዋሂሪ ገና ኣብ ቤት ትምህርቲ እንከሎ ኣብ ፖለቲካዊ እስልምና ተጸሚዱ፣ ኣባል ናይቲ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝዀነ 'ኣኽዋን ኣልሙስሊሚን' ስለ ዝነበረ፡ ኣብ መበል 15 ዓመት ዕድመኡ ተኣሲሩ። ፖለቲካዊ ንጥፈታቱ ግን ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ዩኒቨርሲቲ ካይሮ፡ ሕክምና ካብ ምጽናዕ ኣይዓገቶን። ኣብ 1974 ተመሪቝ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ድማ ብመጥባሕቲ ማስተርስ ዲግሪ ረኺቡ። ኣብ 1995 ዝሞተ ኣቦኡ መሓመድ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ቤት ትምህርቲ ፕሮፌሰር ፋርማኮሎጂ እዩ ነይሩ። ዘዋሂሪ ኣብ መጀመርታ ነቲ ስድራቤታዊ ልምዲ ቀጺሉሉ። ኣብ ሓደ ከባቢ ካይሮ ክሊኒክ ከፊቱ'ኳ እንተነበረ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ምስቶም መንግስቲ ግብጺ ንኽእለ ዘለዓዕሉ ዝነበሩ ኣኽረርቲ እስላማውያን ጕጅለታት ክሳተፍ ጀሚሩ። ኣብ 1973 ጕጅለ እስላማዊ ጅሃድ ግብጺ ምስ ተመስረተ ድማ ናብቲ ጕጅለ ተጸንቢሩ። ኣብ 1981 ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ምርኢት ሓያሎ ኣባላት ናይቲ ጕጅለ፡ ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲኖም ንፕረዚደንት ኣንዋር ሳዳት ድሕሪ ምቕታሎም፡ ምስ ካልኦት ኣማኢት ኣባላት ናይቲ ጕጅለ ተጠርጣሪ ኰይኑ ተታሒዙ። ሳዳት ምስ እስራኤል ስምምዕ ሰላም ብምፍራም፡ ከምኡ’ውን ኣቐዲሙ ኣብ ዝገበሮ ናይ ጸጥታ ስጕምቲ፡ ኣማኢት ነቐፍቱ ብምእሳር ንእስላማውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣቘጢዕዎም ነይሩ። ኣብቲ ጃምላዊ ፍርዲ፡ ዘዋሂሪ ከም መራሒ እቶም ተኸሰስቲ ኰይኑ ቐሪቡ። \"ንሕና ኣብ ሃይማኖትና እምነት ዘለና ኣስላም ኢና። እስላማዊ መንግስትን እስላማዊ ሕብረተሰብን ክንምስርት ኢና ንጽዕር ዘለና\" ኢሉ ነቲ ቤት ፍርዲ ክዛረብ ከሎ ብቪድዮ ተቐሪጹ እዩ። ዘዋሂሪ ኣብ ቅትለት ሳዳት ኢድ ኣለዎ ካብ ዝብል ክሲ ናጻ እንተዀነ እውን፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣጽዋር ብምሓዝ ግን ሰለስተ ዓመት ተፈሪዱ። ኣብ ግብጺ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ብሰበስልጣን ብቐጻሊ ይሳቐን ይቕጥቀጥን ከምዝነበረ እዚ ድማ ናብ ዓመጽን ኣኽራሪን ከም ዝቐየሮ እሱራት ብጾቱ ይገልጹ። ኣብ 1985 ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈትሐ ናብ ስዑዲ ዓረብ ከይዱ። ኣብኡ ነዊሕ ከይጸንሐ መጀመርታ ናብ ፔሻዋር፡ ፓኪስታን ጸኒሑ ድማ ናብ ኣፍጋኒስታን ኣቕኒዑ። ኣብ እዋን መግዛእቲ ሕብረት ሶቭየት ኣብ ኣፍጋኒስታን ዶክተር ኰይኑ ኣብ ዝሰርሓሉ ግዜ ናይ ግብጺ እስላማዊ ጅሃድ ዝብል ውድብ መስሪቱ። ኣብ 1993 እስላማዊ ጅሃድ ግብጺ ዳግማይ ምንቅስቓስ ክጅምር እንከሎ ዘዋሂሪ መሪሕነት እቲ ውድብ ተቐቢሉ። ንቐዳማይ ሚኒስተር ዓጥፍ ሲድቂ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ሚኒስተራት መንግስቲ ግብጺ ኣብ ዝተፈጸሙ ተኸታታሊ መጥቃዕቲታት ወሳኒ ሰብ ነይሩ። እቲ ጕጅለ ኣብ መፋርቕ 1990ታት ንመንግስቲ ንምዕላውን እስላማዊት ሃገር ንምምስራትን ዘካይዶ ዝነበረ ጐስጓስ ጠንቂ ሞት ልዕሊ 1200 ግብጻውያን ኰይኑ እዩ። ኣብ 1997 ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ መራሒ ጕጅለ ቫንጋርድስ ኦፍ ኮንከስት ኢሉ ሰይምዎ። ቫንጋርድስ ኦፍ ኮንከስት ኣብ 1997 ኣብ ሉክሶር ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ህልቂት ከም ዝፈጸመ ዝሕሰብ ክፍሊ ጕጅለ እስላማዊ ጅሃድ እዩ። ድሕሪ ክልተ ዓመት፡ ኣብ ብዙሕ መጥቃዕትታት ናይቲ ጕጅለ ብዘለዎ ተራ፡ ብወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ግብጺ ኣብ ዘይተረኽበሉ ሞት ተፈሪድዎ። ኣዘዋሂሪ ኣብ 1990ታት መዕቈቢን ምንጪ ምወላን ንምርካብ ኣብ መላእ ዓለም ከም ዝተዘዋወረ ይግመት። ሶቭየት ካብ ኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምውጽኣ ኣብ ዝነበሩ ዓመታት፡ ኣብ ቡልጋርያ፡ ዴንማርክን ስዊዘርላንድን ይነብር ከምዝነበረን፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ናይ ሓሶት ፓስፖርት ተጠቒሙ ናብ ሃገራት ባልካን፡ ኦስትርያ፡ የመን፡ ዒራቕ፡ ኢራንን ፊሊፒንስን ከም ዝተጓዓዘን ይእመን። ኣብ ታሕሳስ 1996፡ ብዘይ ሕጋዊ ቪዛ ኣብ ቸቺንያ ምስ ተታሕዘ፡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ሩስያ ከም ዝጸንሐ'ውን ይንገር። ዘዋሂሪ ከም ዝጸሓፎ ዝንገር ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ ሰበስልጣን ሩስያ፡ ኣብ ኮምፒዩተሩ ዝተረኽበ ጽሑፋት ዓረብ ከተርጕሙ ስለዘይከኣሉ፡ መንነቱ ብምስጢር ክሕዞ ክኢሉ እዩ። ኣብ 1997 ዘዋሂሪ ናብታ ኦሳማ ቢንላደን ዝነብረላ ዝነበረ ከተማ ጃላላባድ ኣፍጋኒስታን ከም ዝገዓዘ ይግመት። ድሕሪ ሓደ ዓመት እስላማዊ ጅሃድ ግብጺ፡ ናይ ቢን ላደን ኣልቓዒዳ ዝርከብዎም ካልኦት ሓሙሽተ ኣኽረርቲ እስላማዊ ዕጡቕ ጕጅለታት ብሓባር ተጸንቢሮም ነቲ ኣንጻር ኣይሁድን መስቀላውያንን ጅሃድ ዝገብር እስላማዊ ግንባር ዓለም መስሪቶም። እቲ ግንባር ዘውጽኦ ናይ መጀመርታ ኣዋጅ፡ 'ፈትዋ' የጠቓልል። እዚ ንሰላማውያን ዜጋታት ኣሜሪካ ንኽቕተሉ ዝፈቅድ ሃይማኖታዊ ኣዋጅ እዩ። ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ክልተ ብሓንሳብ ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ኬንያን ታንዛንያን ዝርከቡ ኤምባሲታት ኣሜሪካ ኣዕንዮም፤ 223 ሰባት ድማ ሞይቶም። ዘዋሂሪ ብሳተላይት ቴሌፎን ዝገበሮም ዝርርባት፡ እዞም መጥቃዕቲታት ብቢን ላደንን ኣልቓዒዳን ከምዝተፈጸሙ ከም መርትዖ ካብ ዝቐረቡ መረዳእታታት እዮም። እዞም መጥቃዕቲታት ምስ ተፈጸሙ፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ኣሜሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከብ መዓስከራት ታዕሊም ናይቲ ጕጅለ ደብዲባ። ንጽባሒቱ ዘዋሂሪ ንሓደ ፓኪስታናዊ ጋዜጠኛ ደዊሉ \"ኣሜሪካ፡ ደብዳባ፡ ቦምባታታን ምፍርራሓታታን ናይ ምጥቃዕ ተግባራታን ከምዘየፍርሓና ንገራ። እቲ ኲናት ገና ምጅማሩ እዩ፡\" ኢልዎ። ድሕሪ ሞት ቢንላደን ኣብ ዝነበሩ ዓመታት፡ ተኸታተልቲ ምክትላቱ ብደብዳብ ነፈርቲ ኣሜሪካ ስለ ዝተቐትሉ ዘዋሂሪ ብዓለም ደረጃ ናይ ምውህሃድ ዓቕሙ ተዳኺሙ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሓሓሊፉ ጥራይ መልእኽቲ ምውጻእ እንተዘይኰይኑ ዘዋሂሪ ካብ ተሳትፎ ርሒቝ እዩ ጸኒሑ። ኣሜሪካ ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ኣፍጋኒስታን ብህውከት ምውጻኣ፡ ሞት ዘዋሂሪ ከም ዓወት ክትእውጅ’ያ። እንተዀነ ከም ጕጅለ እስላማዊ መንግስቲ ዝኣመሰሉ ሓደስቲ ጕጅለታትን ምንቅስቓሳትን ጽልዋ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ዘዋሂሪ ብተዛማዲ ውሑድ ስልጣን እዩ ነይርዎ። ሓድሽ መራሒ ኣልቓዒዳ ከም ዝመጽእ ኣየጠራጥርን፣ እንተዀን ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዝወሓደ ጽልዋ ክህልዎ ከም ዝኽእል ይግመገም።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw0prkre8g6o"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን፡ ሓደ ዓመት ኣብ ትሕቲ ጣሊባን","content":"ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል እትው ክትብል እንከለኻ፡  መጀመርታ እተለልዮ ነገር እተን ካባን ቡናዊ ዝሕብሩ ሻርባን ዝተኸድና ደቂ ኣንስትዮ እየን። ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ካብታ ሃገር ክወጽኡ ናይ ዝደልዩ ሰባት ሓያል ስንባደ ዝተርኣየሉ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ሕጂ ጸጥ ዝበለን ጽሩይን እዩ። ጻዕዳ ናይ ጣሊባን ባንዴራን ስእሊ ፍሉጣት ናይ ቀደም መራሕትን’ውን ዳግም ተተኺሎምን ተሳኢሎምን። ጣሊባን፡ ነዛ ሃገር ምስ ተቘጻጸረ ዝተቐየሩ ነገራት እንታይ እዮም? እቶም መልእኽታት ቁሩብ ዘሰንብዱ’ዮም። ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ “ስርሐይ ንሓወይ ክህቦ ደልዮም” ክትብል ኣብ ሓደ መልእኽቲ መለዋወጢ ገጽ ጽሒፋ። ካልእ ክኣ፡ “ብትምህርትናን ተሞክሮናን ዝረኸብናዮ ቦታ’ዩ። እዚ እንተተቐቢልና ንርእስና ከዲዕና ኣለና ማለት’ዩ” ይብል። ቢቢሲ፡ ኣብ ካቡል ሰራሕተኛታት ሚኒስትሪ ፋይናንስ ምስ ዝነበራን መልእኸተን ዘካፈላን ደቂ ኣንስትዮ ተራኺቡ። እዚኣን፡ ኣባላት ልዕሊ 60 ደቂ ኣንስትዮ ዘለዋሉ ጉጅለ ኰይነን፡ መብዛሕትአን ኣብ ዳይሬክቶሬት እቶት ኣፍጋኒስታን ይሰርሓ ነይረን። ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ ግን ካብ ስርሐን ተኸልኪለን ንገዝአን ክኸዳ ተነጊሩወን። ጣሊባን፡ ኣብ ክንድአን ደቂ ተባዕትኣዮ ኣዝማደን እንተለው ነቲ ስራሕ ከመልክቱ ከም ዝኽእሉ ነጊሩና ይብላ። “እዚ ናተይ ስራሕ እዩ” ትብል ሓንቲ ካብኣተን። “እዚ ስራሕ ንምርካብን ካልኣይ ዲግሪ ትምህርተይ ንምውዳእን ብዙሕ ጸገማት ተጻዊረ’የ ን17 ዓመታት ሰሪሐ። ሕጂ ናብ ባዶ ተመሊስና”። ካብ ኣፍጋኒስታን ወጻእ ምስ ዘላን ዳይሬክተር እቲ ዳይሬክቶሬት ዝነበረትን ኣሚና ኣሕማዲ ብቴሌፎን ረኺብናያ። “መንነትና ንስእን ኣለና፤ እዚ ክንዕቅቦ እንኽእል ኣብ ሃገርና ጥራይ’ዩ” ትብል። እታ ጉጅለ ደቂ ኣንስትዮ፡ “ደቂ ኣንስትዮ መራሕቲ ኣፍጋኒስታን” እያ ትብሃል። ኩለን ስርሐን ጥራይ እየን ዝደልያ። እዚአን፡ ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ብዙሕ ዕድላት ትምህርትን ስራሕን ከምኡ’ውን ዓለምለኻዊ ተሳትፎታት ዝነበረን እየን። ሰብ መዚ ጣሊባን፡ ደቂ ኣንስትዮን ሕጂ’ውን ኣብ ስርሐን እየን ዘለዋ ይብሉ። መብዛሕትአን ድማ፡ ሰራሕተኛታት ሕክምና፣ ትምህርትን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝሰርሓ ዋርድያን እየን። ብተወሳኺ፡ ዳርጋ ርብዒ መንግስታዊ ስራሕቲ ሒዘን ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ደሞዝ ይኽፈለን እዩ ዘሎ ይብል - ሒደት እቲ ስሩዕ ደሞዘን። ወዲ 18 ዓመት ኑር ኣሕመድን ወዲ 25 ዓመት ኣሕመድን ኣብ ዓጺድ ረኺብናዮም። ገጹ ርሃጽን ርስሓትን ዝዓሰሎ ኑር፡ “ኣብዚ ዓመት ብሰንኪ ደርቂ ውሑድ ስርናይ’ዩ ዘሎ። ግን ክኣ ክረኽቦ ዝኽእል ስራሕ እዚ ጥራይ’ዩ” ይብል። እዞም መናእሰይ ንመዓልቲ ክልተ ዶላር ጥራይ እዮም ዝረኽቡ። “ኤሌክትሪካል ኢንጅነሪንግ እየ ዘጽንዕ ነይረ፤ ግን ስድራይ ንምሕጋዝ ትምህርተይ ኣቋሪጸዮ”። ኣሕመድ’ውን እንተዀነ ኣዝዩ ዘሕዝን ታሪኽ’ዩ ዘለዎ። “ናብ ኢራን ንምኻድ ዝነበረትኒ ሞተር ሳይክል ሸይጠያ፤ ግን ስራሕ ክረክብ ኣይክኣልኩን” ይብል። ኣብ ድኻ ከባቢታት ኣፍጋን ዝነብሩ ሰባት፡ ኣብ ጎረቤት ሃገር ዝረኽቡዎ ናይ ወቕቲ ስራሕ ድሓን ይዕንግሎም ነይሩ። ግን ኣብ ኢራን’ውን ስራሕ ተሳኢኑ። “ጣሊባን ኣሕዋትና ተቐቢልናዮም ኢና፤ ግን ዕድላት ስራሕ ዝህበና መንግስቲ ኢና ንደሊ” ክብል ኑር ይዛረብ። ኣመሓዳሪ ጣሊባን ኣሕመድ ሻህ ዲን ዶስት፡ ድኽነት፣ ሕማቕ መገዲታት፣ ሕጽረት ተበጻሕነት ሆስፒታላትን ኣብያተ ትምህርትን ብምዝርዛር “ኩሎም ጸገማት የሕዝኑኒ’ዮም” ይብል። እቲ ኲናት ብምብቅዑ፡ ሕጂ ብዙሓት ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብቲ ከባቢ ክሰርሑ ይኽእሉ’ዮም ማለት እዩ። ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት፡ ኣብ ክልተ ከባቢታት ግሆን ጥምየት ዝመስል ነገር ተራእዩ ነይሩ። ኣመሓዳሪ ዲን ዶስት ግን እቲ ኲናት ኣየብቅዐን እዩ ዝብል። ሓይልታት ኣመሪካ ከም ዝኣሰሩዎን ከም ዘሰራጠዩዎን ይዛረብ። “ተወሳኺ ስቓይ ኣይትሃቡና፤ ሓገዝ ምዕራባውያን ኣይንደልን። ስለ ምንታይ’ዩ ምዕራብ ኢዱ ዘእቱ? ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ደቂ ኣንስትዮኹም ሕቶ ኣልዒልና ኣይንፈልጥን” ይብል ብሕርቃን። ቢቢሲ፡ ኣብቲ ከባቢ ዘለው ኣብያተ ትምህርትን ክሊኒክ ብሕጽረት መግቢ ዝተጠቕዑ ሰባትን ምብጻሕ ገይሩ’ዩ። ዳይሬክተር ጥዕና ዓብዱል ሳታር ማፋቕ፡ “ኣፍጋን ትኹረት ትደሊ’ያ። ንሕና ህይወት ሰባት ከነድሕን ኢና ንደሊ፤ እዚ ፖለቲካ ዝሓውስ ክኸውን የብሉን” ኢሉ። እቲ ኣብ ግራት ስርናይ እናዓጸደ ዝረኸብናዮ መንእሰይ ኑር መሓመድ’ውን “ካብ ብረት ንላዕሊ ድኽነትን ጥምየትን ዝሓየለ ቃልሲ’ዮም” ኢሉና ነይሩ። ጓል 18 ዓመት ሶሃይላ፡ ሕጉስጉስ እናበለት ናብቲ ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዝተዓዳደጋሉ ኣብ ሄራት ዝርከብ ዕዳጋ ትኸይድ ነይራ። ሄራት፡ ዚያዳ ምቕሉልነት ብዘለዎ ባህሊ፣ ሳይንስን ምህዞን እትፍለጥ ጥንታዊት ከተማ እያ። ኣቐዲሙ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ብሰንኪ ጣሊባን ተዓጽዩ ዝነበረ ባዛር ንፈለማ እዋን ሕጂ ተኸፊቱ ኣሎ። “ቅድሚ 10 ዓመት ሓፍተይ ነዚ ሹቕ ከፊታ” ትብል ሶሃይላ፤ ብተወሳኺ ናይ ኢንተርነት ገዛን ሬስቶራንትን’ውን ከፊታ ነይራ። ሶሃይላ፡ ብዓብይኡ ዘተሓሳስባ ነገር ግን ትምህርቲ’ዩ። “ጣሊባን ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ዓጽዮም” ኢላ። እዚ፡ ሕልሚ ከምኣ ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ጐስዩ’ዩ። ብዙሓት ኣፍጋናውያን እንኰላይ ኣባላት ጣሊባን እቶም ኣብያተ ትምህርቲ ክኽፈቱ እንተሓተቱ’ውን፡ መብዛሕትኦም ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ግን ብትእዛዝ ኣኽረርቲ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ጣሊባን ተዓጽዮም ኣለው። “ተመሃሪት 12 ክፍሊ’የ፤ እንተዘይወዲአዮ ናብ ዩኒቨርሲቲ ክኸይድ ኣይክእልን” ሶሃይላ፡ ካብ ሃገራ ክትወጽእ ድለየት የብላን፤ ግን ክኣ ሓደ ዓመት ሙሉእ ካብ ትምህርቲ ቦዂራ እያ። “ኣነ ጥራይ ኣይኰንኩን፤ ኩለና ኣፍናጋውያን ደቂ ኣንስትዮ ኢና ቦዂርና” ትብል። ኣብ ሞንጐ፡ ንብዓት እናቐደማ ድምጻ ክቈራረጽ ጀሚሩ። “የሕዝን  . . . ንፍዕቲ ተመሃሪት’የ ነይረ” ኢላ።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c28g27e9pkzo"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን: ኣመሪካ ንስድራ ግዳያት መጥቃዕቲ ድሮን ካሕሳ ክትከፍል እያ","content":"መንግስቲ ኣመሪካ ንስድራ ቤት እቶም ኣብ ርእሰ ከተማ ኣፍጋኒስታን ካቡል ብሰራዊት ኣመሪካ ብጌጋ ብድሮን ዝተቐተሉ 10 ሰባት ገንዘባዊ ካሕሳ ከምዘቕረበሎም ተገሊጹ። በቲ ብሰራዊት ኣመሪካ ዝተፈጸመ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ሓደ ሰራሕተኛ ገባሪ ሰናይ ትካል ሓዊሱ 9 ኣባላት ስድርኡ ዝተቐተሉ ኮይኖም ካብኣቶም እቶም 7 ህጻናት ከምዝኾኑ ተፈሊጡ። ነቶም ካብቲ መጥቃዕቲ ዝድሓኑ ኣባላት ስድራ ድማ ናብ ኣመሪካ ንምውሳድ ይስራሕ ከምዘሎ ፔንታጎን ሓቢሩ። እቲ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ኣመሪካ ሰራዊታ ምሉእ ብምሉእ ካብ ኣፍጋኒስታን ቅድሚ ምስሓባ ቅድሚ ቅሩብ መዓልታት ኣብ ዘሎ ግዜ’ዩ ነይሩ። እቲ ብሰራዊት ኣመሪካ ዝተፈጸመ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ጣሊባን ሃንደበት ንካቡል ተቖጻጺሩ ናብ ፖለቲካዊ ስልጣን ምምላሱ ስዒቡ ኣመሪካ ንገለ ዜጋታት እታ ሃገር እንዳውጽአት እንከላን ሓደ ዜቤታዊ እስላማዊ ጉጅለ ኣብ ጥቓ ማዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ኣብ ዘሎ መዓልታት ከምዝተፈጸመ ተሓቢሩ። እቲ ናይ ረድኤት ሰራሕተኛ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቐስ እስላማዊ ጉጅለ ይተሓባበር’ዩ ዘሎ ብዝብል ትካል ስለያ ኣመሪካ ኣብ ነሓሰ 29 ንኣስታት 8 ሰዓታት ከምዝተኻተተሎ: ኣዛዚ ኮማንድ ፖስት ኣመሪካ ጀነራል ከቤት ማካንዜ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር። ስለያ ኣመሪካ ፈለማ ዘካየዶ ምርመራ ከምዘመላኽቶ: መኪና ናይቲ ሰራሕተኛ ረድኤት: ኣብ ሓደ ምስ እስላማዊ ጉጅለ ኣይኤስ-ኬ ምትእስሳር ኣብ ዘለዎ ቀጽሪ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካልእ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዘኽእል ነተጉቲ ይጽዕን ከምዘሎ ብናይ ድሮን ስለያ’ኳ ተረጋጊጹ እንተነበረ ድሓረ ግን ናውቲ መትሓዚ ማይ ኮይኑ ከምዝተረኸበ ተፈሊጡ። ጀነራል ማካንዜ ነቲ ክስተት “ኣስደማሚ ጌጋ” ኢሉ ዝገለጾ ኮይኑ እቲ መጥቃዕቲ ንኽውሰድ ኢድ ጣሊባን ከምዘይነበሮ ሓቢሩ። በታ ናይ ኣመሪካ ድሮን ዝተቐትለ ሰብኣይ ዛማሪ ኣሕመድ ዝበሃል ኮይኑ ካብ ቤቱ ኣስታት 3 ኪሎ ሜትር ምስተጉዓዘ ነይሩ ስጉምቲ ዝተወሰዶ። ካብቶም ዝተቐተሉ ሓደ ኣሕመድ ናስር ንሰራዊት ኣመሪካ ናይ ትርጉም ስርሓቲ ይሕግዝ ከምዝነበረ ተገሊጹ። እቶም ካልኦት ግዳያት ሞት ዝኾኑ ዜጋታት ኣፍጋኒስታን’ውን እንተኾነ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻውያን ትካላት ይሰርሑ ከምዝነበሩን ናብ ኣመሪካ ንኽጉዓዙ ቪዛ ከምዝነበሮም ተፈሊጡ። እቲ ቅድሚ ትማሊ ሓሙስ ክኽፈሎም ዝተወሰነ ካሕሳ ሓይልታት ምክልኻል ኣመሪካን ሓደ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝሰርሕ ገባሪ ሰናይ ትካል ድሕሪ ዘካየድዎ ኣኼባ ከምዝኾነ ፔታንጎን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ዝሓበረ ኮይኑ ኣቶ ኣሕመድ ኮነ ካልኦት ብናይ ድሮን መጥቃዕቲ ዝተቐተሉ ሰባት ምስ'ቲ እስላማዊ ጉጅለ ዋላ ሓንቲ ዝምድና ዘይነበሮም ንጹሃት ከምዝኾኑ ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ። ዋና ጸሓፊ ሓይልታት ምክልኻል ኣመሪካ ንግዳያት ስድራ ይቕሬታ’ኳ እንተሓተተ ወዲ ሓፍቱ ንኣሕመድ ግን እዚ እኹል ከምዘይኮነ ብምግላጽ “ብኣካል ናብ ኣፍጋኒስታን መጺኦም ገጽ ንገጽ ይቕረታ ክሓቱና ኣለዎም” ከምዝበለ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ጸብጺቡ። ኣመሪካ ሰራዊታ ካብ ኣፍጋኒስታን ምስሓብ ምስጀመረት ጣሊባን ነታ ሃገር ብምልኣት ንምቁጽጻር ክልተ ሰሙን ጥራይ’ዩ ወሲድሉ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ካቡል ብ15 ነሓሰ ኣብ ቁጽጽር ሓይልታት ጣሊባን ኣትያ። ካቡል ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ጣሊባን ቅድሚ ምእታዋ 124 ሽሕ ሰባት ካብታ ሃገር ወጺኦም። ኣብ ጥቓ ማዕርፎ ነፈርቲ ብዝተፈጸመ ነብሰ ቅትለታዊ ናይ ነትጕ መጥቃዕቲ ከኣ 170 ሰለማውያን ሰባት ከምዝሞቱ ዝዝከር’ዩ።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58937941"} {"headline":"ብሞይኣ ንኣፍጋናውያን እትረድእ ሪሓና","content":"ኣፍጋኒስታን ዝሞቦቆላ ሪሓና ቆልዓ እንከላ'ያ ምስ ኣዲኣን ሰለስተ ኣሕዋታን ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣተወት። ሎሚ ኣብ ኣፍጋኒስታን ብዘጋጠመ ፖለቲካዊ ቅልውላው ምኽንያት ካብ ሃገሮም ክወጽኡ ንዝደልዩ ደቂ ሃገራ ሞያዊ ሓገዝ ትገብረሎም።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59620531"} {"headline":"ኣመሪካ ኣብ ካቡል ብዝፈጸመቶ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉ ኣሚና","content":"ማእኸላይ ኮማንድ ኣመሪካ ኣብ ዙርያ እቲ መጥቃዕቲ ኣድሂቡ ብዘካየዶ መጽናዕቲ መሰረት፡ ሓደ ናይ ረድኤት ሰራሕተኛ ምስ 9 ኣባላት ስድርኡ ተቐቲሎም። ካብዚኣቶም እቶም 7 ቆልዑት፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ብዝተፈጸመ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ’ዮም ሞይቶም። ካብቶም ዝተቐተሉ ሰለማውያን ሰባት ብዕድመ እታ ዝነኣሰት ሱማያ ጓል ክልተ ዓመት ከምዝኾነት ተፈሊጡ። እቲ 10 ኣባላት ስድራ ዝቐተለ ግፍዓዊ መጥቃዕቲ ድሮን ጣሊባን ፖለቲካዊ ስልጣን ኣፍጋኒስታን ምስተቖጻጸረ ኮይኑ፡ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ራዕዳዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ኣብ ዝነበረ ሒደት መዓልትታት’ዩ ተፈጺሙ። እቲ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ፡ ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ድሕሪ ዒስራ ዓመታት ወተሃደራታ ቅድሚ ምስሓባ ዝተፈጸመ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ከምዝኾነ’ዩ ዝግለጽ። ትካል ድሕነት ኣመሪካ፡ ሓደ ናይ ገባሪ ሰናይ ሰራሕተኛ ምስ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ኣይኤስ-ከይ [IS-K] ርክብ ነይርዎ’ዩ ብዝብል፡ ንኣስታት 8 ሰዓታት ክከታተሎ ከምዝጸንሐ ኣዛዚ ማእኸላይ ኮማንድ ጀነራል ኬኔት ማኬንዚ ተዛሪቡ። መኪና ናይቲ ሰራሕተኛ ገባሪ ሰናይ ትካል ኣብ ምስ እቲ ራዕዳዊ ጉጅለ ርክብ ነይርዎ’ዩ ዝተብሃለ ገዛ ከምዝተርኣየት ዝሓበረ መጽናዕቲ ማእኸላይ ኮማንድ፡ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ካልእ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ምስ ዝተወጠነ መደብ ክተሓሓዝ ከምዝኽእል ተወሳኺ ሓበሬታ ስለዘመላኸተ ምዃኑ ተገሊጹ። ኣብዚ ከይዲ እዚ ናይ ስለያ ድሮን፡ ድሓረ ዝተዓሸገ ማይ ከምዝኾነ ዝተፈለጠ፡ ኮይኑ ግን ነታጕ ናብ መኪና ዝጽዓን ዘሎ ስለዝመሰሎ እዩ እቲ መጥቃዕቲ ተወሲዱ። ጀነራል ማኬንዚ ነቲ መጥቃዕቲ “መስካሕኽሒ ጌጋ” ኢሉ ዝገለጾ ኮይኑ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ንኽውሰድ ጣሊባን ኢድ ከምዘይነበሮ ኣረጋጊጹ’ዩ። እቲ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል 3 ኪሎ ሜትር ርሕቕ ኣሉ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ናይቲ ሰራሕተኛ ገባሪ ሰናይ ትካል ዝኾነ፡ ዛሚሪ ኣሕማዲ ከምዝተፈፀመ ተፈሊጡ። ካብቶም ዝተቐተሉ ዓሰርተ ሰባት እቲ ሓደ ኣሕመድ ናስር ዝበሃል ኮይኑ፡ ንወተሃደራት ኣመሪካ በዓል ሞያ ትርጉም ኮይኑ ይሰርሕ ከምዝነበረ ተገሊጹ። እቶም ካልኦት ግዳያት እውን እንተኾነ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለምለኻውያን ትካላት ተቖጺሮም ይሰርሑ ከምዝነበሩን፡ ናብ ኣመሪካ ንምእታው ዘኽእሎም ቪዛ ረኺቦም ምንባሮምን’ዩ ተፈሊጡ። ስድራ ናይቶም ግዳያት ኣብ ጽባሕ እቲ መጥቃዕቲ ዝተወሰደሉ መዓልቲ ካብ ኣፍጋኒስታን ንምውጻእ ከምዘመልከቱ ንቢቢሲ ተዛሪቦም። ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ናይቲ መጥቃዕቲ ዕላማ ዝነበረ ኣሕመዲንን እቲ ራዕዳዊ ጉጅለን ዋላ ሓንቲ ርክብ ከምዘይነበሮም ኣፍሊጡ። ኣስዒቡ’ውን በቲ ዝተፈጠረ መጥቃዕቲ ይቕረታ ሓቲቱን፡ ካብቲ መስካሕኽሒ ዝበሎ ጌጋ ትምርቲ ክንወስድ ኢና ኢሉ’ሎ።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58608776"} {"headline":"ቅልውላው ኣፍጋኒስታን፡ መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ-20 ቁጠባዊ ውድቀት ንምእላይ ተመባጺዐን","content":"ኣባል ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ጉጅለ-20 ኣብ ኣፍጋኒስታን ተኸሲቱ ዘሎ ቁጠባዊ ዕንወት ንምእላይ ቃል ኣትየን። መራሒት ጀርመን፡ ኣንገላ መርከል፡ እታ ሃገር \"ናብ ቅልውላው ክትኣቱ ክነፍቅድ ኣይግባእን\" ኢላ። እቲ ብማንዛ (ቨርቹዋል) ዝተኻየደ ርክብ መራሕቲ እተን ሃገራት፡ ቁጠባ ኣፍጋኒስታን ቢልዮናት ዶላራት ከም ዘድልዮ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ምግላጹ እዩ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ብወገኑ ሓገዝ ብመገዲ ዘይሻራውያን ዓለምለኻዊ ትካላት እምበር ብቐጥታ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጣሊባን ክወሃብ ከም ዘይግባእ ተዛሪቡ። እንተኾነ ግና ዛጊት ተረኺቡ ዘሎ መጠን ገንዘብ ብሚልዮናት ዝቑጸር ኮይኑ፡ ንህጹጽ ረድኤት መግብን መድሃኒትን ዝውዕል እዩ። ፕረዚደንት ኣውሮጳዊ ኮምሽን ኡርሳላ ቮን ደር ለየን ንኣፍጋኒስታንን ነተን ኣብ ጎረባብቲ ዝርከባ፡ ስደተኛታት ዝቕበላ ዘለዋ ሃገራት 1 ቢልዮን ዩሮ ክትህብ ቃል ኣትያ ኣላ። እታ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ዘይተሳተፈት፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ሓድሽ መንግስቲ ምስተመስረተ ካብ መዝነታ እትወርድ ኣንገላ መርከል'ውን ጀርመን 600 ሚልዮን ዩሮ ክትልግስ ምዃና ደጊማ ኣረጋጊጻ። ንሳ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ \"ምዕናው ስርዓተ ገንዘብ ኮነ ስርዓተ ፋይናንስ ኣፍጋኒስታን ንዓና ዘርብሖ የብሉን\" ኢላ። ወሲኻ'ውን \"እቲ ሰብኣዊ ሓገዛት ክወሃብ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። ካብ ቀደሙ'ውን ቀሊል ኣይነበረን፤ ግና ብሰንኪ ሕጽረት ቀረብ ኤለክትሪክ ወይ ፋይናንስያዊ ስርዓት 40 ሚልዮን ህዝብ ናብ ቅልውላው ክኣቱ ምርኣይ ኣይከኣልን። ሸቶ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ'ውን ክኸውን የብሉን\" ኢላ። ኣፍጋኒስታን ኣብ ኢድ ጣሊባን ድሕሪ ምውዳቓ ነቲ ከይደልደለ ዝጸንሐ ቁጠባ እታ ሃገር ከቢድ ነውጺ እዩ ፈጢሩሉ። ባንክታት ንብዙሕ መዓልትታት ተዓጽዮም ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ ተኸፊቶም እኳ እንተ'ለው ሕጽረት ገንዘብ ተኸሲቱ ኣሎ። ወነንቶም ንህይወቶም ብምስጋእ ካብታ ሃገር ብምህዳሞም ብዙሓት ትካላት ጌና ተዓጽየን ኣለዋ። ተቖጺሮም ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ንኣዋርሕ መሃያኦም ኣይወሰዱን። ብሰንኪ እቲ ሕጽረት ገንዘብ፡ ዋጋታት መዓልታዊ ብምውሳኽ ሰማይ ዓሪጉ ኣሎ። እቲ ብኲናትን ድርቅን ተኸሲቱ ዝጸንሐ ከቢድ ኩነታት ኣብዚ እዋን ዝኸፍአ ኮይኑ ይርከብ። ደቂ ኣንስትዮ ሰሪሐን ንስድራቤተን ይሕግዛ እኳ እንተነበራ፡ ሕጂ ክሰርሓ ስለዘይክእላ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ምጽወታ ክምርኮሳ ተገዲደን ኣለዋ።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58894634"} {"headline":"በቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን 10 ኣባላት ስድራ ዝቐተለ መጥቃዕቲ ድሮን ዝሕተት ኣመሪካዊ ወታሃደር የለን- ኣመሪካ","content":"ኣመሪካ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ኣብ ኣፍጋኒስታን 10 ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ ድሮን ዝሕተት ወታሃደር ይኹን በዓል ሰልጣን ከምዘየለ ገሊጻ፡፡ እቲ መጥቃዕቲ ጣሊባን ንብዙሓት ከባቢታት ምቁጽጻሩ ስዒቡ፡ ኣብ ዝተሳለጠ ናይ መወዳእታ መዓልቲታት መስርሕ ምግዓዝ እዩ ተፈጺሙ፡፡ በቲ መጥቃዕቲ ድሮን ሓደ ሰራሕተኛ ረድኤትን ሸውዓተ ህጻናት ዝርከቡዎም 9 ኣባላት ስድርኡን ተቐቲሎም፡፡ ኣባላት ድሕነት ኣመሪካ እታ እቲ ሰራሕተኛ ረድኤት ዝጥቀመላ መኪና ምስቲ ኣይኤስ-ኬ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝንቀሳቐስ ጨንፈር ኣይኤስ ርክብ ኣለዋ ኢሎም ብምሕሳብ እዮም ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺሞም፡፡ ኮይኑ ግና ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ጀነራል ከኔት ማኪንዜ፡ ነቲ 29 ነሓሰ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ‘‘ዘሕዝን ስሕተት’’ ክብል ገሊጽዎ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝሓተመ ውሽጣዊ ሰነድ ኣመሪካ ግና ፡ ዝተጥሓስ ሕጊ ስለዘየለን ሸለልትነትን ጉድለት ተገዳስነትን ስለዘይተርኣየን ስጉምቲ ምውሳድ ኣየድልን ኢሉ፡፡ እቲ ሰነድ ትማሊ ሰኑይ ብጸሓፊ ምክልኸል ኣመሪካ ልሎይድ ኦስቲን ከምዝጸደቐ መራኸብቲ ብዙሃን ኣመሪካ ገሊጸን፡፡ እቲ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ሓደ ነብሰ ቕትለት ዝፈጸመ ውልቀ ሰብ ኣብ ጥቓ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ኣስታት 170 ሰላማውያንን 13 ወታሃደራት ኣመሪካን ምስቀተለ እዩ ተፈጺሙ፡፡ ሓይልታት ኣመሪካ ነታ ናይ ሰራሕተኛ ረድኤት ዛማሪ ኣሕማዲ መኪና ኣብ ከባቢ መንበሪ ገዝኡ ኣጥቂዖምዋ፡፡ እታ መኪና ኣብ ቀጽሪ ምስ ኣይኣስ-ኬ ምትእሳሳር ኣለዎ ዝተባህለ ገዛ ተራእያ ዝነበረት ኮይና፡ እቲ ግብረ ሽበራዊ ንኻልእ መጥቃዕቲ ይገብሮ ምስ ዝነበረ ምንቅስቓስ ተመሳሳሊ ምንቅስቓስ ተካይድ ምንባራ ተገሊጹ፡፡ ኣብታ መኪና መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ዝተሰምዐ ተወሳኺ ነትጒ ኣብ ፈለማ ሰብመዚ ኣመሪካ ነታጒ ጽዒና ነይራ ዝብል ሓሳብ ክሕዙ ገይሩዎም ነይሩ፡፡ እንተኾነ እቲ ነትጒ ኣብቲ ከባቢ ናይ ዝነበረ ፕሮፔን ዝሓዘ ታንከር ክኸውን ከምዝኽእል ምርመራታት ገሊጾም፡፡","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59648685"} {"headline":"ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ መስጊድ ብዘጋጠመ ነትጒ ብውሕድ 30 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ኣፍጋኒስታን ከተማ ካንዳሃር ኣብ ሓደ መስጊድ ብዘጋጠመ ነትጒ ልዕሊ 30 ሰባት ክሞቱ ከለዉ 90 ቆሲሎም። እቲ ነትጒ ማሕበረሰብ ሺዓ ሙስሊም ብብዝሒ ኣብ ዝእከበሉ መስጊድ ዘጋጠመ ኮይኑ፤ ስርዓተ ኣምልኮ ይካየድ ምንባሩ ተገሊጹ። መንቀሊ እቲ ነትጒ ዛጊድ እንተዘይተፈለጠ’ኳ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ከይኮነ ከምዘይተርፍ ይጥርጠር። ሰለስተ ነትጒታት ከምዝተሰምዑ ዝሓበሩ መሰኻኽር ዓይኒ እቲ ሓደ ኣብ ዋና ማዕጾ፤ እቲ ካልኣይ ድማ ኣመንቲ ኣብ ዝሕጸቡሉ ከባቢ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ሰዓብቲ እምነት እስልምና ተኣኻኺቦም ጸሎት ኣብ ዝገብሩሉ ዓርቢ መዓልቲ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ተኣኻኺቦም ምንባሮም ተሓቢሩ’ሎ። ኣብቲ ቦታ ብውሑድ 15 ኣምቡላንስ ከምዝተረኣያ ጋዜጠኛ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ገሊጹ። ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ጣሊባን ነቲ ከባቢ ብምርግጋእ ሰባት ንዝተጎድኡ ዝኸውን ደም ክልግሱ የተሓባብሩ ምንባሮም ድማ ሮይተርስ ጸብጺቡ። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣፍጋኒስታን ከምዝበሎ፤ ‘ኣይ. ኬ. ኬ’ ብዝብል ዝፍለጥ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ ብድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ኣሎ ዝብል ጥርጣረ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ’ውን ኣብ ሰሜናዊት ከተማ ኩንዱዝ ኣብ ሓደ ናይ ሺዓ መስጊድ ብዝተፈጸመ ነብሰቕትለታዊ መጥቃዕቲ ብውሕድ 50 ሰባት ከምዝሞቱ ይዝከር። ‘ኣይ. ኬ. ኬ’ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሞ ኣፍሊጡ ነይሩ። እዚ ጉጅለ ሱኒ ሙስሊም ኣብ ኣፍጋኒስታን ካብ ዝርከቡ ተዋጋእቲ ሓይልታት እቲ ኣዝዩ ሕሉፍ\/ጽንፈኛን ብዙሓት መጥቃዕትታት ዝፍጽምን ከምዝኾነ ይግለጽ። ሓይልታት ጸጥታ ኣፍጋኒስታን፣ ፖለቲከኛታትን ሚንስትር ኣብያተ ዕዮን፣ ጣሊባን፣ ሺዓ ሙስሊም፣ ሓይልታት ኣሜሪካን ኔቶን ከምኡ’ውን ትካላት ረድኤትን ዓለምለኸ ኤጀንሲታትን ድማ ቀንዲ ዒላማታት እቲ ጉጅለ እዮም።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58930501"} {"headline":"“እዚ ልክዕ ከም ግሃነም’ዩ” ህጻናት ኣፍጋኒስታን ንምድሓን ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ሓካይም","content":"ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ ኩሎም ሆስፒታላት ብሕሙማት ኣዕለቅሊቖም'ዮም፡ ዶኳትር ልዕሊ ዓቕሞም'ዮም ዝሰርሑ ዘለዎ፤ ገለ'ውን ብዘይ ደመወዝ ክሰርሑ ዝተገደድሉ ኩነታት'ዩ ዘሎ፡ እቶም ኣብ ጽዑቕ ስራሕ ተጸሚዶም ዝርከቡ ሓካይም ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣመልኪቶም ንቢቢሲ ሓሳቦምን ውዕለኦምን ኣካፊሎም ኣለዉ። ኣብዚ ዛንታ ኣስማት ናይቶም ውሃብቲ ሓበሬታ ንድሕነቶም ክንብል ቀይርናዮ ኣለና። ሓንቲ ኣደ ቆልዓ መንእሰይ፡ ንዶክተር ኑሪ ንዓኣን ንውላዳን ክትቐትሎም እናተነኽነኸት ኣምሪራ ትልምና ኣላ። ዶክተር ኑሪ ኣብ ዞባ ማእከላይ ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ክኢላ ስነ መውክዳን እያ፡ እታ ኣቐድም ኣቢላ ዘሕረሰታ ድማ'ያ ንዓኣን ንዕሸላን ክትቐትሎም ትልምና ዘላ። ዶክተር ኑሪ፡ እታ ሓራስ ኣብ ከባቢኣ ብሕጽረት መኣዛዊ መግቢ ቆርበት ጥራይ ዝተረፉ ህጻናት እናርኣየት፡ ከመይ ገይረ'የ ነዚ ውላደይ ከዕብዮ ብምባል ካብ ተሳቕዩ ዝመውት ሕጂ ቅተልለይ ኢላ ከምዝለመነታ'ያ ንቢቢሲ ሓቢራ። ዶክተር ኑሪ፡ እቲ ሕክምና፡ ኣንሰልኡ ካብ ዘይቅየር ኣዋርሕ ከምዝገበረን፡ እኹል ናይ ጽሬት መሳርሕታት ስለዘየለ፡ ሕሙማት ብደም ኣብ ዝጨቀወ ኣንሶላ ከደቅስዎም ከምዝግደዱ'ያ ትገልጽ። እቶም ኣብቲ ሆስፒታል ዝሰርሑ ዝነበሩ ናይ ጽሬት ሰራሕተኛታት ደመወዝ ደው ምስ በለ፡ ድራር እለቶም ንምምእራር ናብ ካልእ ዓይነት ስራሕ ከምዝተዋፈሩ ዶክተር ኑሪ ትሕብር። ካብዚ ዝተለዓለ ኣብ ክፍሊ መወልዳን ኣብ ዝርከብ ዓራውቲ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ሓደ ዓራት ልዕሊ ሰለስተ ነብሰ ጾራት በብተራ ከምዝድቅሳ ይግበር ምህላዉ ብምግላጽ \"እንታይ ኣማራጺኸ ኣለና?\" ብምባል ትሓትት። እቲ ቀረባት ናይ ሕክምና ደው ምስ በለ፡ እተን ብውልቀሰባት ዝውነና ዝነበራ ክሊኒካትን ሆስፒታላትን ስለስተዓጸዋ፡ እተን ውሑዳት ብመንግስቲ ዝውነና ሆስፒታል ሰለስተ ዕጽፊ ናይቲ ክሕዝኦ ዝግበአን ብዝሒ ሕሙማት የአንግዳ ምህላውን ዶክተር ኑሪ ጠቂሳ። ዶክተር ኑሪ \"ኣብ ዝኾነ ክፋል ዓለም ከይድካ ክፍሊ መዋልዳን እቲ ኣዝዩ ፍሽኽታ ዝርኣዩ ክፍሊ ሕክምና እዩ፡ ምኽንያቱ ውጽኢት ጻዕርኻ ሓዲሽ ዕሸል ስለትርእየሉን ፍሽኽታ ሓራስ ፍሽኽ ስለዘብለካን፡ ሕጂ ግን ኣብ ኣፍጋኒስታን እዚ የለን\" ትብል። ኣብ ክልተ ሳምንታት ናይ ወርሒ መስከረም፡ ኣብቲ ንሳ ትሰርሖ ሆስፒታል ጥራይ ሓሙሽተ ዕሸላት ብሕጽረት መኣዛዊ መግቢ ከምዝሞትዎም ሓቢራ። ንምረት እቲ ዝሓልፍዎ ዘለዉ ንምግለጽ ድማ \"ኣብዚ ልክዕ ከም ገሃነም እዩ\" ትብል። እታ ብደርቅን ዓሰርተታት ዓመታት ዝወሰደ ግጭትን እፎይታ ዝተሓረማ ኣፍጋኒስታን፡ ጣሊባን ምስ ተቆጻጸርዋ ኸኣ ናብ ቁጠባዊ ውድቀት እዩ ኣምሪሕዋ። እተን ኣቐዲመን ቅሩብ ሰብኣዊ ሓገዛት ዘወፍያ ዝነበራ ሃገራት፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ጣሊባን ንመላእ እታ ሃገር ምስ ተቆጻጸራ፡ ነቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣየኽብርን'ዩ ዝብልኦ መንግስቲ ጣሊባን ንዘይምሕጋዝ የእዳወት ኣንሳሒበን ይርከባ። እቲ ስክፍታ ኸኣ 'ጣሊባን ነቲ ሓገዝ ኣብ ካልእ መዓላ ከውዕሎ ይኽእል'ዩ' ዝብል እዩ። ብሰንኪ እዚ ኣፍጋኒሰታን ኣብ ታሪኻ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ጥምየት እያ ተሕልፍ ዘላ፡ ኣስታት 14 ሚልዮን ህጻናት ኣፍጋኒስታን ንብርቱዕ ሕጽረት መኣዛዊ መግቢ ተቓሊዖም ከምዘለዉ ሕቡራት ሃገራት የመልክት። ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ሕጽረት ቀረባት ሕክምና ኣስታት 2300 ማእከላት ጥዕና ተዓጽየን ኣለዋ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ሕሙማት ምጡን ሕክምናዊ ሓገዛት ንምርካብ 12 ሰዓታት ብእግሮም ዝጉዓዝሉ ኣጋጣሚታት ከምዘሎ'ውን ይጥቀስ። ኣብ ርእሰ ከተማ ካቡል ትርከብ ህጻናት ዝሕከሙላ ሆስፒታል እቶም ኣብ ዝኸፈአ ደረጃ ዓጸቦ ዝርከቡ ህጻናት ናብዮት ዝረኽቡላ ዘለዉ ሆስፒታል እያ። ናብቲ ሕክምና ዝመጽኡ ህጻናት ብምብዝሖም ኸኣ እታ ሆስፒታል ካብቲ ክትሕዞ ዝግብኣ ዓቕን ንላዕሊ ሕሙማት ብምሓዝ 150 ሚኢታዊት መሊኣ ኣላ። ዳይረክተር እቲ ሆስፒታል ዶክተር ሲዲቂ፡ ነቲ ሆስፒታል ዝግበር ዝነበረ ምወላ ኣብ ወርሒ መስከረም ስለዝተቋረጸ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ቀረባት ኣብቲ ሆስፒታል ካብ ዝናበዩ ሕጻናት ሰሙናዊ ኣርባዕተ ትሕቲ 10 ዕድሚኦም ህጻናት ብሰንኪ ሕጽረት መኣዛዊ መግቢ ከምዝሞቱ ገሊጹ። ዶክተር ሲዲቂ፡ እቶም ህጻናት ኣዝዮም ተዳኺሞም ክሓውይሉ ኣብ ዘይክእሉሉ ደራጃ ምስ ብጽሑ ናብኦም ከምዝምጽኡ ይገልጽ። \"እቶም ህጻናት ናባና ክመጽኡ እንከለዉ ኣብ ኣፍ ሞት ኮይኖም እዮም ዝመጽኡ፡ ብዙሓት ብኸምዚ ሞይቶሙና እዮም\"። ብምሰዓብ እቲ ሆስፒታል ብሕጽረት መግብን መድሃኒትን ይሳቐ ምህላዉ ዶክቴር ሲዲቂ ገሊጹ። \"ነቶም ሙቐት ዘድልዮም ህዳናት ሙቐት ከይንህቦም ኤሌክትሪክ ብተደጋጋሚ'ዩ ዝጠፍእ ነዳዲ'ውን የብልናን፡ ሓደ ሓደ ግዜ ንሰራሕተኛታት እዚ ሕክምና ዕንጨቲ ከምዝኣርዩ ብምግባር ሓዊ ኣጒድና ነቲ ክፍሊ ነማሙቐሉ እዋን ኣሎ፡ ከምዚ ኢልካ ግን ክሳብ ምዓስ እዩ ክኸውን?\" ይብል። ዶክተር ኑሪ ብወገና፡ ኣብቲ ንሳ ትሰርሓሉ ሆስፒታል ኢለክትሪክ ብተደጋጋሚ ስለትጠፍእ ኣብ ኢንኩቤተር ዝኣተዉ ህጻናት ኢለትሪክ ምስ ጠፈአት ብዙሓት ከምዝሞትዎም ትገልጽ። \"ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ክሞቱ ክትርእዮም እንከለኻ ካብዚ ዝኸፍእ ስቃይ የለን\" ድማ ትብል። ብምስዓብ \"ኣብ ዝሓለፈ መዓልቲ መጥባሕቲ እናኣካየድኩ እንከለኹ ኣብ ሞንጎ ኤለክትሪክ ጠፊኣ፡ ንደገ ወጺአ ብዓውታ ሓገዝ ኣብ ዝሓተትክሉ ሓደ ሰብ ካብ መኪንኡ ነዳዲ ሂብና ጀነረተር ኣተሲእና ነቲ መጥባሕቲ ክንውድኦ ክኢልና\" ትብል። እዚ ኹሉ እናኾነ፡ ዝብዘሑ ካብቶም ኣብ ማእከላት ጥዕና ዝሰርሑ ዘለዉ ሞያውያን ዶሞዞም ብስሩዕ ከምዘይክፈሉ'ዮም እቶም ምስክርነቶም ዝሃቡና ዶኳትር ሓቢሮሙና። ዶክተር ራሕማኒ ዳይረከተር ሆስፒታላት ዞባ ሀራት ኮይኑ እቲ ንሱ ዝሰርሓሉ ሆስፒታል ንሕሙማት ኮቪድ-19 እዩ ዝሕክም። ዶክተር ራሕማኒ 30 ጥቅምቲ ካብቲ ብጣሊባን ዝምራሕ ሚኒሰትሪ ጥዕና ዝመጽኦ ደብዳበ ንቢቢሲ ቅዳሕ ኣካፊሉና፡ ኣብቲ ደብዳበ፡ ክሳብ ምወላ ዝርከብ ሰራሕተኛታት እቲ ሆሰፒታል ብዘይ ደሞዝ ክሰርሑ ዘገድድ ትእዛዝ እዩ ሰፊሩ ዘሎ። ትማሊ ሰሉስ ግን እቲ ዝነበሮም ኩሉ ጥረ ነገራት ናይ ሆስፒታል ስለዝነገፉ፡ ሕሙማት ተደፊኦም ካብቲ ሆስፒታል ከምዝወጽኡን እቲ ሆስፒታል ከምዝተዓጸወን ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ሰዲድልና። ዶክተር ቃላንዳር ኢላድ ሚኒስተር ጥዕና ጣሊባን እዩ። ኣብ ወርሒ ሕዳር ምስ ቢቢሲ ፐሪሽያን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ መንግስቲ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ብምርድዳእ ጠለባት ሕክምና ንምምላእ ክሰርሕ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ። እንተኾነ፡ ብዙሓት ሃገራት ሓገዝ እንተገይረን ጣሊባን ኣብ ካልእ መዓላ ከውዕሎ እዩ ብምባል ኢደን ስሒበን እየን። 10 ሕዳር ፡ ሕቡራት ሃገራት ንመጀመርታ ግዜ ብቀጥታ ኣብ ቀረባት ናውቲ ሕክምናን መድሃኒትን ከምኡ'ውን ደሞዝ ሰራሕተኛታት ሕክምና እታ ሃገር ዝውዕል 15 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ሒቡ። እቲ 8 ሚልዮን ዶላር ነቶም 23500 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ጥዕና እታ ሃገር ደሞዝ ክኾኖም ተባሂሉ እዩ ተወፊዩ። ዶክተር ኑሪ \"እተን ብሰላም ተገላሊለን ውላደን ሒዘን ካብዚ ሆስፒታል ዝፋነዋ ኣዴታት ብጣዕሚ እየን ዘሕስባኒ፡ ሰልዲ የብለንን፡ ንባዕለን ጸማልያ መሲለን ከመይ ኣቢለን'የን ንዕሸለን ክምግባ?\" ድሕሪ ምባል ንሳ'ውን ንባዕላ ንስደራኣ ንድራር ዕለቶም ንምቅራብ ኢዳ ይሓጸራ ምህላዉ ብኣስተንትኖ ትዛረብ። \"ኣነ'ውን ዶክተር ተባሂለ እኹል መግቢ የብለይን፡ እቲ ቅሩብ ኣዋህሊለዮ ዝነበርኩ ሰልዲ ሕጂ ደሞዝ ደው ምስ በልና ወዲአዩ'የ፡ መዓልታዊ ንምንታይ'የ ናብዚ ስራሕ ዝመላለስ ዘለኹ እናበልኩ ንነብሰይ ይሓታ'የ፡ ምኽንያቱ ብዛዕባ መጻእየይ ዝኾነ ጽቡቕ ራኢ የብለይን\" ትብል ዶክተር ኑሪ።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59501325"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን፡ ኣብ መስጊድ ብዘጋጠመ ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 50 ሰባት ተቐቲሎም","content":"ኣብታ ውሑዳን ሰዓብቲ እምነት ሺዓ ዝጥቀሙላ መስጊድ ሰይድ ኣባድ፡ ኣካላት ናይቶም ዝተቐትሉ ሬሳታት ፋሕ ኢሉ ይርአ ነበረ። ኣብታ ሰሜናዊት ከተማ ብዘጋጠመ ሓደጋ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሰባት ቈሲሎም እዮም። ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸምዎ ሓቢሮም። ጥሩፋት ሱኒ ሙስሊም ነቶም ከም መናፍቓን ዝርእይዎም ሺዓ ዒላማ ዝገበረ እዩ። እቲ ኣይ-ከይ ዝበሃል ምስ ኣይኤስ ዝምድና ከምዘለዎ ዝግለጽ ብጎነጻዊ ባህሪያቱ ዝልለን ንመንግስቲ ጣሊባን ዝቃወም ጉጅለ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ዝተኻየደ መብዛሕትኡ መጥቃዕቲ ንሱ ከምዘካየዶ ሓቢሩ። ሓደ ኣባል ጉጅለ ነብሰ ቅትለት ኣይ ኤስ እቶም ኣመንቲ ምስልምና፡ ትማሊ ዓርቢ ኣብ መስጊድ ተኣኪቦም እናጸለዩ እንከለው ነቲ ኣብ ነብሱ ዝተጻወደ ነታጒ ከም ዝፈንጀሮ ተሓቢሩ። ዛልማይ ኣሎክዛይ ዝተባህለ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ነጋዳይ፡ እቲ መጥቃዕቲ ምስ ተፈጸመ፡ ሓካይም ደም ዝልግሱ ሰባት ዘድልዮም እንተ ኰይኑ ንምርግጋጽ ተቐላጢፉ ናብ ሆስፒታል ምስ ከደ ሕንፍሽፍሽ ዝመልኦ ትርኢት ከም ዘጋጠሞ ገለጸ። \"ኣምቡላንስታት ነቶም ምዉታን ከልዕላ ናብቲ ቦታ ፍጻሜ ይመላለሳ ነበራ\" ክብል ንAFP ሓቢሩ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ እተፈጸመሉ እዋን፡ ኣብቲ መስጊድ ልዕሊ 300 ሰባት ኣብ ጸሎት ከምዝነበሩ ቶሎ ኒውስ ሓቢሩ። ቍጽሪ ምዉታት ክውስኽ ከምዝኽእል ከኣ ስግኣት ኣሎ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ዓርቢ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ቦምባ ፡ \"ኣብዚ ሰሙን ንሃይማኖታዊ ትካል ዒላማ ዝገበረ ሳልሳይ ቀታሊ መጥቃዕቲ እዩ\" ድሕሪ ምባል፡ እቲ ተግባር ሓደ ክፋል ናይቲ \"ዚርብሽ ኣገባብ ዓመጽ\" ምዃኑ ገሊጹ። ውዱብ ሕቡራት ሃገራት በቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ካቡል ኣብ ዝርከብ መስጊድ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ፡ ሓያሎ ሰባት ከም ዝሞቱ፡ ብረቡዕ ድማ ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ኮስት ኣብ ዝርከብ መድረሳ (ትምህርታዊ ትካል) መጥቃዕቲ ከም ዘጋጠመ ሓቢሩ። ትንታነ ዜና ብሰኩንደር ከራማኒ ኮርስፕንደንት ኣብ ፓኪስታን እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ሓያል መጥቃዕቲ ቦምባ ዘካየደ ጉጅለ ኣይ ኤስ፡ ነቶም ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ ውሑዳን ሺዓ ብተደጋጋሚ ዒላማ ይገብሮም ኣሎ። እቲ ጉጀለ ንቐብርን ጸሎትን ኣብ ዝተኣከቡ ሰባት፡ ኣብ መሳጊድ፡ ኣብ ክለባት ስፖርትን ኣብያተ-ትምህርትን መጥቃዕቲ ፈጺሙ። ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት እውን፡ ኣይ ኤስ ኣብ ልዕሊ ጣሊባን ርእሰ-ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ። ብሰንበት ኣብ ካቡል ሓያሎ ላዕለዎት መራሕቲ ጣሊባን ኣብ ዝገብሩዎ ናይ ቀብሪ ጸሎት ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ተኻይዱ። ኣብቲ ኣይኤስ ዓሪዱሉ ዝነበረ ምብራቓዊ ኣውራጃታት ናንጋርሃርን ኩናርን ከኣ ዝተፈላለየ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ። ከምቲ ንሳቶም ዝብልዎ እቲ ዓርቢ ዓርቢ ዝፍኖ መጥቃዕቲ ብኣይ.ኤስ. ዝፍጸም እንተ ኰይኑ፡ እቲ ንጥፈታቶም ናብ ሰሜን እታ ሃገር ከም ዝሰፍሕ እዩ ዘመልከት። ጣሊባን ንብርክት ዝበሉ ኣባላት ኣይ ኤስ ከም ዝሓዙን ምስቲ ጉጅለ ርክብ ከም ዘለዎም ንዝጠርጠሮም ካልኦት ሰባት ከም ዝቐተሉን ይገልጽ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሓዲሩ ዘሎ ስግኣት ከህድኡዎ ኣይከኣሉን። ብዙሓት ኣፍጋናውያን ፡ እቲ ጣሊባን ዝወስዶ ስጕምቲ፡ ምልካዊ እውን እንተኾነ፡ ሰላምን ጸጥታን ንኪሰፍን ተስፋ ገይሮም ነይሮም። ኰይኑ ግና ፡ ኣይ-ኤስ ነቲ ጣሊባን ዝሓሸ ድሕንነትን ጸጥታን ከምዘስፍን ዝኣተዎ መብጽዓ ዓብዪ ስግኣት ምዃኑ እዩ ዘመልክት ። ጣሊባን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ምስቶም ን20 ዓመት ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝነበሩ ኣመሪካውያን ድሕሪ ምዝርራቡን ሓይልታት ወጻኢ ካብ ካቡል ምስ ወጽኡን እዩ ንኣፍጋኒስታን ተቘጻጸሩዋ ።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58854416"} {"headline":"መጥቃዕቲ 9\/11፡ ብነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ዓለም ዝቐየረት መዓልቲ","content":"ቅድሚ 20 ዓመት ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ብዝተፈጥረ ክስተት ዓለም ተቐይራ።11 መስከረም 2011 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] እዩ ነይሩ። ኣርባዕተ ዝተጨውያ ነፈርቲ ናብ ክልተ ፍሉጣት ህንጻት ኣመሪካ፣ ናብቲ ሕምብርቲ ቑጠባ፣ ፖለቲካን ወተሃደራዊ ሓይልን ዝኾነ ቤት ጽሕፈት ፔንታጎን ተላቲመን። መጥቃዕቲ 9\/11 2996 ሰባት ቐቲሉ፤ እዚ ኣብ መሬት ኣመሪካ እቲ ዝዓበየን ክሳብ ሕጂ ዝኸፍአ በሰላ ዝገደፈን መጥቃዕቲ'ዩ። ድሕሪ እዚ መጥቃዕቲ'ዩ 'ኲናት ኣብ ልዕሊ ሽበራ' ዝብል ወፍሪ ብኣመሪካ ተጀሚሩ። በዚ ምኽንያት ኣመሪካ ንኣፍጋኒስታንን ዒራቕን ወሪራ። ነፍሲ ወከፍ ወለዶ እቲ ግዜ፡ ሕድሕድ ኣብቲ ዕለት ዘጋጠመ ፍጻመ ክሳብ ሎሚ ብእርይ ቑጽር ይዝክሮ። እዚ ኣብታ ንጉሆ ኣብ ውሽጢ 149 ደቓይቕ ዝነበረ ዕግርግርን ራዕድን በብደቒቓኡ ከምዚ ዝስዕብ ይመስል ነይሩ። ነፋሪት ኣመሪካ ቑጽሪ በረራ 11 [ኤኤ11] ናብ ሎስ ኣንጅለስ ክትበርር ካብ ቦስተን ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሎጋን ተበጊሳ። ኣብራሪ ነፋሪትን ተሓጋጋዚኡን ከምኡ'ውን ትሸዓተ ሰራሕተኛታት በረራን ተጉዓዝትን ኣብታ ነፋሪት ነይሮም። ካብቶም 81 ተጉዓዝቲ እቶም ሓሙሽተ ብመሓመድ ኣታ [ካብ ግብጺ] ዝምርሑ ጨወይቲ ነይሮም። ናይዚ መጥቃዕቲ መደብ ኣብ ኣፍጋኒስታን ብዝነበረ ኣልቃዒዳ ቅድሚ 5 ዓመት ክዳሎ ዝጸንሐ'ዩ። ፓኪስታናዊ ዕጡቕ ኻሊድ ሺክ መሓመድ ቀላሲ እዚ መጥቃዕቲ ከም ዝኾነን ነዞም ኣሸበርቲ ኣብረርቲ ገይርካ ምስልጣን ዝብል ሓሳብ ዘበገሰን ምዃኑ ይንገር። ነዚኦም ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዘኽእሉ ኣጽዋር ገይርካ ምጥቃም ከኣ ትኹረት ገይሩ። ስዑዳዊ ሚሊየነር ኦሳማ ቢን ላደን ከኣ ፊሽካ እዚ መደብ ዝነፍሐ መራሒ ኣልቃዒዳ'ዩ። ካብ ካልእ መዓርፎ ነፈርቲ ቦስተን ነፋሪት ኣመሪካ ቑጽሪ በረራ 175 [UA175] ናብ ሎስ ኣንጅለስ ክትበርር ተበጊሳ። ትሸዓተ ሰራሕተኛታት በረራን 56 ተጉኣዝትን ሒዛ ነይራ። ካብዚኦም እቶም ሓሙሽተ ጨወይቲ'ዮም። ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ቑጽሪ በረራ ኤኤ11 ዝነበሩ ጨወይቲ ናብቲ ናይ በረራ ክፍሊ ብምእታው ነታ ነፋሪት ተቖጻጺሮምዋ። መጀመርታ ክልተ ካብቶም ተሳፈርቲ ብካራ ተወጊኦም። እዚ በቶም ኣብ ዝኸበረ ቦታ ተጉዓዝቲ ዝነበሩ ጨወይቲ ዝተፈጸመ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ካብቶም ሓሙሽተ ጨወይቲ እቲ እንኮ ስልጠና ምብራር ነፋሪት ዝወሰደ ኣታ ዝሽሙ፡ ብኻልእ ብጻዩ ተሰንዩ ካብቲ ማእከላይ ክፍሊ ተጉዓዝቲ ተሲኡ። ሓምሻይ ጨዋዪ ንሓደ ተጉዓዚ ብካራ ይወግኦ። እቲ ግዳይ ዳኒኤል ሌዊን ይብሃል። ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ሰራዊት እስራኤል ዘገልገለ እዩ። ብቐጥታ ከኣ ብድሕሪት ኣታ ከፍ ኢሉ ነይሩ። ዳኒኤል ነቲ መጭወይቲ እታ ነፋሪት ከድሕን ክብል'ዩ ተቐቲሉ ይብሃል። ልክዕ ኣብተን ካልኦት ዝተጨወያ ነፈርቲ፡ ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪትን ተጉዓዝትን ናብ ድሕሪት እታ ነፋሪት ክኸዱ'ዩ ተነጊሩዎም። ዕጡቓት ኣልቃዒዳ ሰርሳሪ ጋዝ ከም ዝተጠቐሙን ነቶም ተጉዓዝቲ ብቦንባ ከም ዘፈራርሑዎምን ይግለጽ። ካብቶም ተሳፈርቲ ቤቲ ኦንግ ናብ ክፍሊ መገዲ ኣየር ኣመሪካ ስልኪ ብምድዋል ቑጽሪ በረራ ኤኤ11 ተጨውያ ክትኸውን ከም እትኽእል ሓበሬታ ሂባቶም። ካብ ዋሽንግተን ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዱለስ ዝተበገሰት ነፋሪት ኣመሪካ ቑጽሪ በረራ 77 [ኤኤ77] ናብ ሎስ ኣንጅለስ ክተቕንዕ መደብ ነይሩዋ። ሽዱሽተ ሰራሕተኛታትን 58 ተጉዓዝትን ኣሳፊራ ነይራ። ካብዚኦም እቶም ሓሙሽተ ጨወይቲ'ዮም። እዚ ኣጋጣሚ ኣይኮነን፤ እተን ዝተጨወያ ኣርባዕተ ነፈርቲ ካብ ሓደ ገምገም ናብ ካልእ ገምገም ባሕሪ ናይ ምብራር ስሩዕ መደብ ነይሩወን። ነዚ ዝኸውን ኣስታት 43 ሽሕ ሊትሮ ነዳዲ ነይሩወን። ኣብ ኢድ እቶም ጨወይቲ ዝወደቓ ነፈርቲ ግን ካብ ሰላማዊ ኣገልግሎት ጉዕዞ ናብ በረርቲ ሚሳይል እየን ተቐይረን። ኣታ፡ ምስቶም ተጉዓዝቲ ክዘራረብ ፈቲኑ፤ እንተኾነ ዝተሰሓሓተ መልጎም [button] ተጻዒኑ ብጌጋ ነቶም ኣብ ቦስተን ዘለው ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር ዜና እቲ መጭወይቲ ነጊሩዎም። ሓንቲ ጥራይ ከይኮነስ ብዙሓት ነፈርቲ ከም ዝተጨወያ ደርጒሑዎ። እቶም ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር ግን እንታይ ይኸውን ኣሎ ዝብል ፈጺሙ ክርድኦም ኣይክኣለን። እቲ ካልኣይ ካብ ኣታ ዝመጽአ መልእኽቲ ግን ቑጽሪ በረራ ኤኤ11 ከም ዝተጨወየት ኣረጋጊጹሎም። ሽዑ፡ እቶም ጨወይቲ ነቲ እቶም ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር ነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስ፣ ፍጥነትን ብራኸን ኣብ በረራ ዘላ ነፋሪት ንምፍላጥ ዝሕግዞም ትራንስቦንደር እታ ነፋሪት ኣጥፊኦምዎ'ዮም። እዚ ድሃይ እታ ነፋሪት ንምፋላጥ ኣጸጋሚ ኩነታት ፈጢሩ። ኣብዚ ግዜ፡ እዚ ዜና መጭወይቲ ነፈርቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ኣቪየሽን ፌደራል ኣመሪካ ብሰፊሑ ተወዝዐ። ሰብ መዚ እቲ ኣቪየሽን መሓመድ ኣታ \"ካልኦት ነፈርቲ'ውን ሒዝና ኣለና\" ዝበሎ ንክርድኡ ልዕሊ ፍርቂ ሰዓት ወሲዱሎም። እዚ ኹሉ ኣብ ዝኾነሉ ኣብታ ሃገር ካልኦት ነፈርቲ ስሩዕ ስርሐን የሳልጣ ነይረን። ካብዚአን እታ ሓንቲ እታ ኣብቲ ሽዑ እዋን ዝተጨወየት ራብዐይቲ ነፋሪት እያ። ነፋሪት መገዲ ኣየር ዩናይትድ ቑጽሪ በረራ 98 [UA93] ካብ ኒውጀርሲ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኒዋርክ ናብ ፍሳን ራንሲስኮ ተበጊሳ። ሰዓት 8፡00 ናይ ንጉሆ ክትብገስ ይግብኣ ነይሩ፤ ግን ድማ ኣብቲ ንጉሆ ዝነበረ ትራፊክ ነፈርቲኦ ናይ በረራ ምዝንጋዕ ፈጢሩ ክሳብ ሽዑ ከይተበገሰት ጸኒሓ። እዛ ነፋሪት ግን ኣብቲ ዝሓሰበቶ ክትበጽሕ ኣይክኣለትን፤ እቲ ኣቐዲሙ ዝተፈጥረ ምዝንጋዕ ድማ ነዚ ምኽንያት ከም ዝኾነ ይእመን። ግን ድማ ካልእ ኣገዳሲ ምኽንያት ኣሎ። እታ ሸውዓተ ሰራሕተኛታት በረራን 37 ተጉዓዝትን ሒዛ ዝተበገሰት ነፋሪት ኣብ ውሽጣ ኣርባዕተ ጨወይቲ ነይሮም። እተን ካልኦት ሓሙሽተ ሓሙሽተ ጨወይቲ ሒዘን ከም ዝነበራ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። እዛ ነፋሪት'ውን ዕጭኣ ካብተን ካልኦት ሰለስተ ዝፍለ ኣይነበረን። እታ ካልአይቲ ነፋሪት ዝኾነት ዩኤ93 ምስ ተበገሰት ነፋሪት ዩኤ175'ውን ንመሬት ገዲፋ ናብ ሰማይ ምስ ተወንጨፈት ኣብ ሞንጎ ተጨውያ። ነፋሪት ቑጽሪ በረራ ኤኤ11 ምስ ተጨወየት ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ናብቶም ኹልዕ ኢሎም ዝርኣዩ ዝነበሩ ሰማያት ኒውዮርክ ትሕምበብ። እታ ነፋሪት'ውን ናበይ ትኸይድ ኣላ ብዝግባእ ትርኣይ ነይራ። ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር እታ ነፋሪት ናብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ጆን ኦፍ ኬኔዲ'ያ ትኸይድ ዘላ ዝብል እምነት ስለ ዝነበሮም ካልኦት ኣብቲ መስመር ዝነበራ ነፈርቲ መገዲ ክኸፍታላ ይሓቱ። ኣብዚ ግዜ፡ ክበጽሓ ንዝኽእል ሓደጋ ከይሰግአት ተሳፋሪት ማዴሊን ስዌኒ ን15 ደቓይቕ ዝኣክል ኩሉ ምዕባለታት ንኣካያዲ ስራሕ ኣገልግሎት በረራ ነፈርቲ ኣመሪካ ሚካኤል ውድዋርድ ብቴሌፎን ትሕብሮ ነይራ። ነፋሪት ኤኤ11 ናብ ጆንኦፍ ኬኔዲ ኣይኮነትን ትኸይድ ነይራ። ስዌኒ'ውን \"ዝኾነ ጸገም ተፈጢሩ ኣሎ፤ ዝኾነ መጥቃዕቲ ገጢሙና ኣሎ\" ትብሎ። ውድዋርድ፡ ኣበይ ከም ዘለው ክትፈልጥ እንተኽኢላ በቲ መስኮት ኣማዕዲዋ ክትርኢ ይሓታ። \"ትሕት ኢልና ኢና ንበርር ዘለና፤ ኣዚና ኣዚና ትሒትና ንበርር ኣለና። ፈጺምና ትሒትና ኢና ንበርር ዘለና\" ትብሎ። ድሕሪ ክልተ ካልኢታት፤ \"ፈጣርየይ! ኣመና ትሒትና\" ትብል። ሽዓ ዝርርቦም ተቛሪጻ። ነፋሪት ቑጽሪ በረራ ኤኤ11 ሓደ ካብቶም መናቱ ህንጻታት ኒውዮርክ ናብ ዝኾነ በዓል 100 ደርቢታት 'ወርልድ ትሬድ ሴንተር' ብሸነኽ ሰሜን ተጋጭያ። እዚ ፍጹም ዘደናግር ጉዳይ'ዩ። ኮንስታንስ ላቤቲ ኣብ መበል 99 ደርቢ ደቡባዊ ሸነኽ እቲ ህንጻ ነይራ፤ እታ ናይ መጀመርታ ነፋሪት ክትመጽእ እንከላ ርእያታ'ያ። \"ኣብታ ዘለኹዋ ማይ ኮይነ ደሪቐ፤ ኣይተንቀሳቐስኩን . . . ክንቀሳቐስ ኣይክኣልኩን\" ትብል። ንሳ ሓንቲ ካብቶም ብህይወት ዝተረፉ ንመጥቃዐዕቲ 9\/11 ከም ሎሚ ዝዝከሩ ግዳያት እያ። \"እናቐረበት ክትመጽእ ይርእያ፤ መሳኹቲ ጋቢናን ጭራን እታ ነፋሪት ብደንቢ ይርኣዩኒ ነይሮም። ክሳብ ክንድዚ ቐረባ ኮይና እየ ዝርእያ ነይረ\" ኢላ። እታ ነፋሪት ኣብ ሞንጎ መበል 93ን 99 ደርቢ እቲ ህንጻ ተቐርቒራ ሽዑ ንሽዑ ኣማኢት ሰባት ትቐትል። ካብ መበል 92 ደርቢ ጀሚሩ ዝነበረ ክፋል እቲ ህንጻ መእተውን መውጽእን ከም ዘይነበሮ ይዝረብ። በዚ ምኽንያት ብዙሓት ሰባት ተቐርቂሮም። ኣብዚ ግዜ ካብታ ነፋሪት ዝፈሰሰ ነዳዲ ባርዕ ሓዊ ስለ ዘልዓለ ሓደ ሊፍት ሙሉእን ካልኦት ክፍልታትን ኣዕኒዩ። ኣብ ገለ ከባቢታት እቲ ህንጻ ዋዒ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዲግሪ ሴልሽየስ ኮይኑ፤ ሰሜናውን ደቡባውን ሸነኽ እቲ ህንጻ ብሓያል ትኪ ክዕብለኽ ጀሚሩ። ስርዓት ሓበሬታ እቲ ህንጻ ሰባት አኣብ ዘለውዎ ክጸንሑ ኣዚዙ፤ ሓለቓ ላቤቲ ሮን ፋዚዮ ግን ኩሎም ደረጃታት እቲ ህንጻ ተጠቒሞም ክወጽኡ ኣዚዙ። እዚ ህይወት ብዙሓት ከድሕን እዩ። ፕሬዝደንት ኣመሪካ ጆርጅ ደብሊው ቡሽ፡ ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ኤማ ኢ. ቡከር ምብጻሕ ክገብር ከይዱ። ምስቶም ህጻናት ጽቡቕ ግዜ ከሕልፍ'ውን መደብ ነይሩዎ። እንተኾነ፡ ኣብታ ቤት ትምህርቲ ምስ በጽሐ \"ሓንቲ ነፋሪት\" ካብተን መናቱ ህንጻታት ነታ ሓንቲ ሃሪማታ ዝብል ሓበሬታ ተነጊሩዎ። ካብዚ ወጻእ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተነግሮን፤ ስለ ዝኾነ ድማ ምስቶም ህጻናት ናብ ዝሓዞ መደብ ቐጺሉ። ኤጀንሲ ኣቪየሽን ፌደራል ኣመሪካ ብዛዕባ መጭወይቲ እታ ቐዳመይቲ ነፋሪት ካብ ዝፈልጥ ልዕሊ 20 ደቓይቕ ገይሩ ነይሩ። እንተኾነ ካልእ ኤጀንሲ ኣመሪካ ብዛዕባ እዚ ሓበሬታ ኣይበጽሖን። ዋላ'ውን ቤት ጽሕፈት ፕሬዝደንት ዋይት ሃውስ ኣይፈልጥን። ምኽትል ፕሬዝደንት ዲክ ቼኒ ንርእሱ ልክዕ ከምቲ ካልእ ተራ ህዝቢ ዓለም እቲ ዜና ብቴሌቪዥን'ዩ ሰሚዑዎ። ተገሪሙ \"ከመይ ኢላ ነፋሪት ንህንጻ ወርልድ ትሬድ ሰንተር ትሃርሞ\" ኢሉ። ኣብዚ ሰዓት እቶም ጨወይቲ ነታ ሳልሰይቲ ነፋሪት [ኤኤ77] ሙሉእ ንሙሉእ ተቖጻጺሮምዋ ኣለው። እታ ቐዳመይቲ ነፋሪት ምስ ተሓምሸሸት ድሕሪ 10 ደቒቕ ኣንቲ ሰሜናዊ ሸነኽ እቲ ህንጻ ኣብ ላዕሊ ዝነበራ ዓሰርተ ደርቢታት ሓዊን ትክን ዘይተንከፈን ሒደት ክፍሊታት ተሪፈን ነይረን። ኣብዚ ሰዓት ሰባት ካብ መሬት 300 ሜትሮ ንላዕሊ ካብ ዝርከብ ህንጻ እናዘለሉ ናብ መሬት ክወድቁ ዘርእዩ ምስልታት ይወጽኡ ነይሮም። እዚ ሓደጋ ካልእ ሓድሽ ዘስካሕክሕ መልክዕ ክሕዝ ጀሚሩ። ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ማእከል ምቁጽጻር ትራፊክ ነፈርቲ ሕምስምስ ኮነ። ካልአይቲ ነፋሪት ዩኤ175 ካብ መስመር ወጻኢ ከይኮነት፣ ኣንፈት እታ ነፋሪት ዝሕብር ትራንስፖንደር ከየጥፍአት ብዘይ ዝኾነ ጸገም ኣብቲ ሰማያት ትሕምበብ ነበረት። ኣብዚ ግዜ'ዩ እቲ ኣቭየሽን ጭውያ ተፈጺሙ ክኸውን ይኽእል'ዩ ዝብል ሓበሬታ ዝበጽሖ። ግንከ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣዝዩ ዝዘንግዐ ነበረ። ነፋሪት ቑጽሪ በረራ 175 ናብቲ ደቡባዊ ሸነኽ ህንጻ ወርልድ ትሬድ ሰንተር ተወርዊራ ኣብ መበል 77ን 85ን ደርቢታት እቲ ህንጻ ተቐርቀረት። እዚ እታ ፈላመይቲ ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ ዝወደቐት ነፋሪት ድሕሪ 17 ደቒቕ እዩ ኣጋጢሙ። ሕጂ ኣብ ታሪኽ ኒውዮርክ እቲ ዝዓበየ ህይወት ናይ ምድሓን ስርሒት ክካየድ ግድን ኮነ። ኮንስታንስ ላቤቲ እቲ ዝነበረትሉ ህንጻ [ደቡባዊ] ክህረም እንከሎ ገና ካብቲ ህንጻ ትወጽእ ነይራ። \"ኣዝዩ ብርቱዕ ድምጺ ክንሰምዕ እንከለና . . . ይመስለኒ ኣብ መበል 52፣ 75 ደርቢ ነይረ። ሓደ ሰብ ነቲ ህንጻ ተቖጻጺሩ ሓፍ ከፍ ዘብሎ ዘሎ ይመስል። ድሓር ነቲ መደፈጊ ኣስካላ ኣስጢመ ብምሓዝ ይድገፎ፤ ኣይወደቕኹን ብዙሕ ሰብ ግን ካብቶም ደረጃታት ይወድቕ ነይሩ\" ክትብል ኣብቲ ኣብ ቤተ መዘክር መጥቃዕቲ 9\/11 ኣብ ዘስፈረቶ ምስክርነት ገሊጻ። ንሳ ብኸምዚ ክትወጽእ ኣብ እትጽዕረሉ ኣጋጣሚ፡ ሰበር ዜና እዚ ክስተት ንዘቕርባ ዘለዋ መደብራት ቴሌቪዥን ዝከታተሉ ዝነበሩ ሚሊዮናት ድሮ እታ ኻልአይቲ ነፋሪት ነቲ ኮንስታንስ ዘላትሉ ህንጻ ከም ዝሃረመት ፈሊጦም። መጀመርታ ሓደጋ ክኸውን ከም ዝኽእል ተገሚቱ። ካብታ ፈላመይቲ ነፋሪት ብዝተፈለየ፡ ነፋሪት ዩኤ175 ቅድሚ ምውዳቓ ናብ ታሕቲ ዘምበል ኢላ ነይራ። ብውሑድ ካብ ደረጃታት መበል 91 ደርቢ ውሑስ ነይሩ፤ ግን ድማ ቀሊል ኣይኮነን። ብሓዊውን ትክን ተዓብሊኹ ክጽልምት እንከሎ ጨና ናይቲ ዝፈሰሰ ነዳዲ ተደሚሩ ነቲ ኩነታት ኣጸጋሚ ገይሩዎ። ተወሳኺ ካልእ ጸገም'ውን ኣሎ፤ ናይ ሓደጋ እዋን መስመር ስልኪ 911። እዚ መስመር ስልኪ ብደወል ተጨናኒቑ ስለ ዝነበረ ሰራሕተኛታት መድሕን ህይወት ክሳብ ዝበጽሑ አኣብ ዘለኹሞ ጽንሑ ዝብል መልእኽቲ ይህቡ ነይሮም። እቲ ቑጽሪ ክፈላለየ ይኽአል'ዩ፤ ግን ድማ ካብቲ ብሸነኽ ደቡብ ዝነበረ ህንጻ ልዕሊ ክልተ ዕጽፊ ሰባት ወጺኦም። ቡሽ ሕጂ'ውን ኣብ ፊት እቶም ቖልዑ ሸውዓተ ዓመት ተመሃሮ'ዩ ዘሎ። ሓለቓ ስታፍ ዋይት ሃውስ ኣንድሪው ካርድ ግን ዳግም ብዛዕባ እቲ ካልኣይ መጥቃዕቲ 'ትዊን ታወርስ' ኣብ እዝኑ ተጸጊዑ የሕሾኽሹኾሉ። እቲ ፕሬዝደንት ከፍ ኢሉ ጥራይ ርእሱ ብምንቕናቕ ከንፈሩ ይሓይኽ። \"ኣብ ግዜ ቅልውላው ክትሰናበድ የብልካን፤ ስለዚ ካብቲ መምሃሪ ክፍሊ ዝወጽኣሉ ትኽክለኛ ሰዓት ይጽበ ነይረ\" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ። \"ገለ ዝተፈለየ ነገር ከርኢ ኣይደለኹን፤ ሃንደበት ካብቲ ከፍ ዝበልኹሉ ወንበር ተሲአ ነቶም ህጻናት ከፍርሖም ኣይደለኹን። ስለዚ ተጸብየ\"። እታ ካልኣይቲ ነፋሪት ነተን መንታ ህንጻታት ምስ ሃረመት፡ መገዲ ኣየር ኣመሪካን መገዲ ኣየር ዩናይትድን ኣብ መላእ እታ ሃገር ካልኦት በረራታት ከይካየዱ ንምእጋድ ወሲኖም። ልዕሊ 40 ዓመታት ተሞኩሮ ዘለዎ ተቖጻጻሪ ትራፊክ ኣየር መገዲ ኣየር ዩናይትድ ኤድ ባሊንገር፡ ኣብ ትሕቲኡ ንዝነበራ ኩለን በረራታት መጠንቀቕታ ሂቡ። ነፋሪት ዩኤ93 ሓንቲ ካብኣተን ኮይና ራብዐይቲ ካብተን ዝተጨወያ ነፈርቲ ንምዃን ሒደት ደቓይቕ እየን ተሪፈንኣ። ባሊንገር፡ \"ካብ ዝኾነ ጣልቃ ዝኣቱ በረራ ተጠንቀቑ - ክልተ ነፈርቲ ንህንጻ ወርልድ ትሬድ ሰንተር ሃሪመን'የን\" ዝብል ሓጺር መልእኽቲ ኣሕሊፉ። በዚ ዝተደናገረ ኣብራሪ ጄሶን ዳህል \"በጃኻ እቲ ናይ መወዳእታ መልእኽቲ ኣረጋግጸለ -- ጄሶን\" ምስ በለ ኣብ ሰዓቱ መልሲ ኣይረኸበን። ድሕሪ ዓመታት፡ ባሊንገር እቲ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ግልጺ ብዘይምዃኑ ክጥዓስ ይኸውን። ኣብ ነፋሪት ዩኤስ93 ብጭንቀት ዝተውሓጠ ኣብራሪ ወይ ተሓጋጋዚ ኣብራሪ እታ ነፋሪት ብዙሕ ዘይስማዕ ስልኪ ይድውሉ። እቲ ሓደጋ ከጋጥም እንከሎ ዝግበር ጻውዒት ስልኪ ኣብ ኦሃዮ ዝርከቡ ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ተቐቢሎምዎ። ግን ድማ ዋላ ሓደ ክገብሩዎ ዝኽእሉ ነገር ኣይነበረን። ድሮ እቶም ጨወይቲ ነታ ነፋሪት ተቖጻጺሮምዋ። እዛ ነፋሪት ካብ መሬት ካብ እትልዓል ድሕሪ 46 ደቒቕ ክትጭወ እንከላ፡ እተን ካልኦት ሰለስተ ኣብ ውሽጢ 30 ደቒቕ ተጨውየን። እቲ ትርፊ ሰዓትን ቅድሚ ምብጋሳ ዘጋጠመ ምዝንጋዕ 42 ደቓይቕን ዕጫ እታ ነፋሪት ዝወሰኑ ኮኑ። እቲ ብሊባኖሳዊ ዛይድ ጃራህ ዝተመርሐ ጭውያ ኣብ ልዕሊ ተጉዓዝትን ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪትን ብቦንባ ተደጋጋሚ ምፍርራሕ የብጽሕ ነይሩ። እታ ነፋሪት ድማ ናብቲ ዝተበገሰትሉ ቦታ ይመልሱዋ ከም ዘለው ይነግሩዎም ነይሮም። እቶም ናብ ድሕሪት እታ ነፋሪት ክኸዱ ዝተገደዱ ተጉዓዝቲ ናብ መቕርባቶምን ፈተውቶምን ስልኪ ይድውሉ። መብዛሕትኦም፡ እቶም ጨወይቲ እታ ነፋሪት ስልኪ ክድውሉ እናርኣዩዎም'ውን ብዙሕ ከም ዘይተገደሱሎም ይዛረቡ። ካብዛ ነፋሪት ኣስታት 37 ጻውዒት ስልኪ ተኻይዱ'ዩ። በዚ መገዲ ኣብ ልዕሊ እተን መናቱ ህንጻታት ኒውዮርክ ዝበጽሐ ሓደጋ ክሰምዑ እንከለው፡ ህጹጽ ስጉምቲ እንተዘይተወሲዱ ዕጭኦም ተመሳሳሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ፈሊጦም። ኣብ ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ኣመሪካ ዝነበሩ ሰብ መዚ ሳልሰይቲ ነፋሪት ከም ዝተጨወየት ፈሊጦም። ጠበቓ ቴዶር ኦልሶን ኣብ በረራ ኤኤ77 ካብ ዝነበርተ በዓልቲ ቤቱ ባርባራ ሰሚዑ። \"ነቲ ኣብራሪ እንታይ ክብሎ? እንታይ ግበር ክብሎ?\" ከም ዝበለቶ ይዝክር። ኣቪየሽን ፌደራል ኣሰር እታ ነፋሪት ንክረክብ 30 ደቒቕ ላሕ ኢሉ፤ ግን ድማ ትራንስፖንደር እታ ነፋሪት ጠፊኡ ስለ ዝነበረ ዋላ ሓደ ነገር ክረክብ ኣይክኣለን። ስለ ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ክፈልጥ ተወሲኑ። በዚ መሰረት \"ነፋሪት 77'ውን ስኢንናያ\" ክብል ንኮማንድ ምክልኻል ቀጠና ኣየር ሰሜን ኣመሪካ ሪፖርት ይገብር። እዚ ቐጠና ኣየር ኣመሪካ ካብ መጥቃዕቲ ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ዝተዋህቦ መሓውር'ዩ። ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሮናልድ ሬጌን ዘለው ሰብ መዚ'ውን ዘይተፈልጠ ነፋሪት ናብ ሸነኽ ዋይት ሃውስ ይጉዓዝ ከም ዘሎ ተነጊሩዎም። እቲ ምኽትል ፕሬዝደንት ድማ ንመከላኸሊ ሓደጋ እዋን ናብ ዝተሰርሐ ዕርዲ ትሕቲ መሬት ተወሲዱ። ሽዑ እታ ነፋሪት 330 ዲግሪ ተጠውያ። ሕጂ ናብ ዋይት ሃውስ ኣይኮነትን ተምርሕ፤ እኳ ድኣ ናብ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ -ፔንታጎን። እዚ ሸሞንተ ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ዝርከብ ኮይኑ፡ ኣብ ሰዓት 1900 ኪሎ ሜትሮ ትሕምበብ ጀመረት። ነፋሪት ኤኤ77 ንፍርቂ ክፋል ህንጻ ፔንታጎን ትሃርሞ። ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ 64 ሰባት ኩሎም ሞይቶም። ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ዝነበሩ 125 ሰባት'ውን ኪሎም ሞይቶም። ብዙሓት ዓሰርታት ከኣ ቖሲሎም። ሚዲያታት ዓለም ትኹረተን ኣብተን ትዊን ታወርስ ስለ ዝገበራ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ፔንታጎን ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ብዙሕ ኣቓልቦ ኣይገበራሉን። ፕሬዝደንት ቡሽ ግን ብቐሊሉ ዝርኣዮ ኣይነበረን። ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ፔንታጎን ክህረም እንከሎ'የ እታ ሃገር ኣብ ኲናት ከም ዘላ ዝፈለጥኩ ኢሉ። \"እቲ ናይ መጀመርታ ነፋሪት ሓደጋ'ዩ ምተባህለ። እቲ ኻልኣይ ግን ብርግጸኝነት መጥቃዕቲ'ዩ። እቲ ሳልሳይ ክኣ ኣዋጅ ኲናት\" ኢሉ። ድሕሪ መጥቃዕቲ ፔንታጎን ኣቪየሽን ነፈርቲ ፌደራል ኩለን ኣብ በረራ ዝነበራ ነፈርቲ ንግዲ ኣብ ቀረብአን ኣብ ዘሎ መዓርፎ ነፈርቲ ክዓርፋ ቀጢን መምርሒ ሂቡ። በዚ መሰረት ኣስታት 4500 ሰባት ኣብ ኣመሪካ ዓሪፎም። ሓንቲ ነፋሪት ኣብ ሰማይ ትህሉ'ያ ዝብል ስግኣት ግን ነይሩ፤ ቑጽሪ በረራ ዩኤ93 ተጨውያ'ያ። ትራንስፖንደራ'ውን ጠፊኡ። ኣብዚ ሰዓት ሰራሕተኛታትን ተጉዓዝትን እዛ ነፋሪት ነዞም ጨወይቲ ጠጠው ከብሉዎም እንተዘይክኢሎም ክጠፍኡ ከም ዝኽእሉ ይግንዘቡ። ኣተኣናጋዲት በረራ ዝነበረት ኣሊስ ሆግላንድ ኣብ በረራ ንዝነበረ ወዳ ማርክ ቢንግሃም ክልተ ናይ ድምጺ መልእኽቲ ትገድፈሉ። እቲ ሓደ \"ማርክ፡ ኣዴኻ'የ። ነፋሪት ብግብረ ራዕዳውያን ከም ዝተጨውየት'ዩ ዘሎ እቲ ዜና። እዛ ነፋሪት ንዝኾነ መጥቃዕቲ ክጥቀሙላ መደብ ዘለዎም ይመስሉ። ዝክኣለኻ ገይርካ ጠጠው ኣብሎም\" ይብል። ኣብቲ ካልኣይ ኣዝዩ ስርቕርቕ ብዝበል ድምጺ ማዕዳ ልኢኻትሉ። \"ናብ ሳን ፍራንሲስኮ ይኸይድ ኣሎ'ዮም ዝብሉ ዘለው። እታ ንስኻ ዘለኻላ ክትኸውን ትኽእል እያ። ስለዚ እንተክኢልካ ሰባት ወዲብካ ክትቆጻጸሩዎም ገለ ነገር ግበር። መዓረይ ይፈትወካ'የ። ሰናይ ዕድል፤ ቻው\" ይብል። ኩሎም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ሰባት ድማ ነቶም ጨውይቲ ክቃለሱዎም ብሓደ ድምጺ ከም ዝተሰማምዑ ይግለጽ። እቲ ዘስካሕክሕ መጥቃዕታት ኣብ ዝቕጽለሉ እዋን ደቡባዊ ሸነኽ እቶም መንታ ህንጻታት ተሮᎁቑ። ሙሉእ ህንጻ ኣብ ውሽጢ 11 ካልኢታት እዩ ተሃᎁኹ። ኣብ ውሽጢ እቲ ህንጻ ዝነበረ ኩሉ ሞይቱ፤ ኣብ ጥቓ እቲ ኸባቢ ዝነበሩ'ውን ተቐቲሎም። ኮምስታንስ ላቤቲ ሓንቲ ካብቶም ካብዚ ህንጻ ክወጽኡ ዝኽኣሉ'ያ። እቲ ኩሎም ኣብቲ ህንጻ ዝነበሩ ሰባት ዝክኣሎም ገይሮም ክወጽኡ ዘተባብዐ \"ጅግና\" ሓለቕኣ ግን ኣይሰለጦን። ንሽዱሽተ ደቓይቕ፡ ተጉዓዝቲ ቑጽሪ በረራ ዩኤ93 ነታ ነፋሪት ካብቶም ጨወይቲ ንምድሓን ፈቲኖም። ኣብዚ ግዜ ኣብቲ በረራ ድምጺታት ዘእውዩ ሰባት፣ ወዲቖም ዝስበሩ ሽሓነታትን በራጩቕን ተቐዲሑ ተረኺቡ'ዩ። ኣብ ገለ እዋን ዛይድ ጃራህ እታ ነፋሪት ናብ የማነ ጸጋም ከናግዓ ጀሚሩ፤ እቶም ዝተረፉ ጨወይቲ ከኣ ንማዕጾ እታ ነፋሪት ቀርቂሮም ሒዞም። ጃራህ \"ክንውድኦ'ዶ?\" ይብል። ካልእ ብጻዩ \"ግደፍ፤ ጽናሕ። ኩሎም ምስ መጽኡ ንክውድኦ ኢና\" ኢሉ ይምልሰሉ። ካብቲ ዒላማ ዝገበርሉ ዋሽንግተን ዲሲ 20 ደቒቕ'ዮም ርሒቖም ዘለው። ጃራህ መሊሱ ነቲ ካልኣይ ጨዋዪ ነታ ነፋሪት ከዕንዋ'ዶ ኢሉ ይሓቶ። ኣብዚ ግዜ \"እወ\" ይብሎ። ነፋሪት ቑጽሪ በረራ ዩኤ93 ንቑልቑል ክትድፋእ እንከላ ሓደ \"ኣላህ ዓብዪ'ዩ። ኣላህ ዓብዪ'ዩ\" ኢሉ። እቶም ተጉዓዝቲ እናተገታገቱ እናሃለው፡ እታ ነፋሪት ኣብ ሰዓት ልዕሊ 930 ኪሎ ሜትሮ ትበርር ስለ ዝነበረት ኣብ ፔንሲልቫኒያ ከተማ ሻንክስቪሌ ወዲቓ። ዋላ ሓደ ብህይወት ኣይተረፈን። ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ እታ ነፋሪት ተሃሪማ ድያ ወዲቓ ዋላስ ካልእ ዝብል ንምፍላጥ ግዜ ወሲዱሉ። ሰራዊት እታ ሃገር እታ ነፋሪት ኣብቲ ዝሓሰበቶ ከይትበጽሕ ተኸላኺሉ'ዩ፤ ንዋይት ሃውስ ወይ'ውን ባይቶ ኣመሪካ ዒላማ ገይራ ከም ዝነበረት ይግመት። ነፋሪት ኤኤ11 ንሰሜናዊ ሸነኽ ህንጻ ወርልድ ትሬድ ታወርስ ካብ እትሃርም ልዕሊ 100 ደቓይቕ ተቖጺሮም። ኣብ ውሽጢ ትሸዓተ ደቓይቕ ናብ መሬት ወዲቓ። ሰራሕተኛ ምጥፋእ ሓዊ ኒውዮርክ ቢል ስፓድ ካብቲ ህንጻ ቑሩብ ሜትራት ርሕቕ ኢሉ'ዩ ነይሩ፥ ኣብቲ ህንጻ ዘጋጠመ ነትጒ ግን ኣስታት 12 ሜትሮ ኣርሒቑ ናብቲ ፍርስራሳት ደርቢዩዎ። ንርእሱ ደልዩ ንምርካብ ሓደ ሰዓት ወሲዱዎ። ድሓር ግን ካብ 12 ኣባላት ጉጅልኡ ብህይወት ዝተረፈ ንሱ ጥራይ ምዃኑ ፈሊጡ። ኣብ ነፋሪት ዩኤ93 ዝነበረ ኣኩኡ ሞይቱ። ኣብ መጥቃዕቲ 9\/11 ነቶም 19 ጨወይትን ልኡኽ ኣጥፊእኻ ምጥፋእ ዝተቐበሉን ሰባት ወጻእ 2977 ሰባት እዩ ቀቲሉ። እዚ ኣብ ኣመሪካ እቲ ዝኸፍአ መጥቃዕቲ'ዩ። ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ዝለዓለ ቑጽሪ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት ዝስኣነትሉ'ውን እዩ። ኣብ ኒውዮርክ ጥራይ እቶም 343 ሰራሕተኛታት ምጥፋእ ሓዊ'ዮም ነይሮም። ብተወሳኺ ኣስታት 400 ሽሕ ሰባት ብምምራዝ፣ ብኣካላዊን ስነ ልቦናውን መጉዳእቲ ንከበድቲ ሕማማት ዝተቓልዑን ኣብ እዋን ምጽራይን ዳግመ ህንጸትን ክሳብ ሞት ዝበጽሕ መጉዳእቲ ዝበጽሖምን'ዮም። ሳዕቤን መጥቃዕቲ 9\/11 ክሳብ ሕጂ ትኩስ'ዩ። ኣመሪካ ንቀላሲ እቲ መጥቃዕትን መስራቲ ኣልቃዒዳን ዝኾነ ኦሳማ ቢን ላደን ንምሓዝ ብ2001 ንኣፍጋኒስታን ወሪራ። ፕሬዝደንት ቡሽ ነዚ ወፍሪ \"ኲናት ኣብ ልዕሊ ራዕዲ\" ኢሉ ዝጽውዖ ኮይኑ ኣብ 2003 ንዒራቕ ወሪሩ'ዩ። እዚ መጥቃዕቲ 20 ዓመት ኮይኑዎ ኣሎ። ኣመሪካ ድማ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝጸንሐ ሰራዊታ ኣውጺኣ። ጣሊባን ድማ መሊሶም ስልጣን ተቖጻጺሮም ኣለው። ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝነበራ ወተሃደራዊ ልኡኽ እንተኣብቅዐ'ውን ገና ዝኸፍኡ ምዕራፋት ክመጽኡ ከም ዝኽእሉ ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58504149"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን፡ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣሜሪካ 'ሃንዳሲ ኣይኤስ-ከይ [IS-K] ቀቲሉ","content":"ኣሜሪካ ኣብ ምብራቃዊ ኣፍጋኒስታን ብዘካየደቶ ደብዳብ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት፡ ነዳፊ ትልሚ ኣይኤስ-ከይ [IS-K] ተቀቲሉ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጻ። እቲ ኣባል ኣይኤስ-ከይ [IS-K] ምዃኑ ዝግለጽ ኣባል ኣብ ግዝኣት ናንጋሃር ዒላማ ከምዝኾነ ተገሊጹ። ኣይኤስ-ከይ [IS-K] ኣብቲ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ 13 ወተሃደራት ዝርከብዎም 170 ሰባት ተቐቲሎም። ዕጡቃት ጣሊባን ኣብዚ ወርሒ ንርእሰ ከተማ እታ ሃገር ምቁጽጻሩ ስዒቡ፡ እቲ መገዲ ኣየር ብዙሕ በረራታት ከካይድ እዩ ጸኒሑ። ኣሜሪካ ሓይልታታ ክሳብ ሰሉስ ካብ ኣፍጋኒስታን ለቒቖም ክወጽኡ ግዘ ገደብ ምቕማጣ ስዒቡ፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ጥራሕ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ካብታ ሃገር ከምዝግዓዙ ይግለጽ። እዚ ኣይኤስ-ከይ [IS-K] ዝተብሃለ ሽሙ ኢስላሚክ እስቴት ኮሮሳን'[እስላማዊት ሃገር ኣብ ዞባ ኮሮሳን] ካብ ዝብል ዝመንጨወ ኮይኑ ኣብ ኣፋጋኒስታን ንፓኪስታን ዝንቀሳቐስ እስላማዊ ጉጅለ እዩ። ካብቶም ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ ጅሃዳውያን ጉጅለታት እቲ ኣዝዩ ሕሉፍን ጎንጺ ዝጥቀምን ጉጅለ ምዃኑ ድማ ይፍለጥ። ፕረዝደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣሜሪካ ነቶም ጂሃዳውያን ከምትሃድኖም ኣፍሊጡ። ባይደን ትማሊ፡ ''ኣይክንርስዖን ይቕረ'ውን ኣይንብልን'' ብምባል ዝተሓነየ እንትኾን ኣብ ዝቕጽሉ መዓልትታት ኣብ ካቡል ካልእ መጥቃዕቲ ክፍጸም ከምዝኽእል ኣጠንቂቁ። ክሳብ ሕዚ 5800 ወተሃደራት ኣሜሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ሰብ ንምውጻእ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ይርከቡ። ሰብ መዚ ጣሊባን ንክፋላት እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ከምዝተጻቖጸርዎ ዝገለጹ እንከለዉ፡ ኣሜሪካ ግና ሓይልታታ ክሳብ ሕዚ ነቲ መዓርፎ ነፈርቲ ተቖጻጺረምዎ ከምዘለዉ እያ ትገልጽ። ወሃቢ ቃል ማእከላይ ኮማንድ ካፕቴን ቢል አርባን፡ ''እቲ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣብ ግዝኣት ናንጋርሃር'ዩ ተኻይዱ። ኣፈናዊ ሓበሬታት ድማ፡ ነቲ ዒላማ ከምዝቐተልናዮ እዮም ዝሕብሩ። ሰለማውያን ሰባት ከምዘይተጎድኡ ንፈልጥ ኢና'' ኢሉ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣኽረርቲ ኣይኤስ-ከይ [IS-K] ኣብ ምብራቃዊ ካቡል ግዝኣት ናንጋርሃር ተሓቢኦም ከምዝርከቡ ይእመን።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/58367456"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን፡ ጣሊባን ደቂ ኣንስትዮ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ሓቢረን ከይመሃራ ኣጊዱ","content":"ተምሃሮ ዩኒቨርሲታት ኣፍጋኒስታን ብጾታ ክፈላለዩን ሓድሽ ስርዓት ኣከዳድና ክኽተሉ ምዃኖምን ጣሊባን ኣፍሊጡ። ሚኒስተር ላዕለዎት ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ዓብዱል ባቂ ሓቂኒ፡ ደቂ ኣንስትዮ ክመሃራ ክፍቀድ ምዃኑ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ጎኒ ደቂ ተባዕትዮ ኮፍ ክብላ ከምዘይክእላ ተዛሪቡ። ኣብ ላዕለዋይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ብዛዕባ ዝወሃቡ ዓይታት ትምህርቲ'ውን ምምሕያሽ ከምዝተገብረ ሓቢሩ። ጣሊባን ካብ 1996 ክሳብ 2001 ንኣፍጋኒስታን ኣብ ዝመርሕሉ እዋን፡ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ኣብያተ ተምህርቲ ኮነ ዪኒቨርሲታት ከይኸዳ ከልኪሉ ነይሩ። ጣሊባን፡ ደቂ ኣንስትዮ ክመሃራ ኮነ ተቖጺርን ክሰርሓ ኣይተኸልከላን ኢሉ። ኣብ 15 ንሓሰ 2021 ስልጣን ካብ ዝሕዙ ንደሓር ግና፡ ካብተን ኣብ ትካላት ጥዕና ዝሰርሐ ወጻኢ፡ ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ክሳብ እቲ ኩነታት ጸጥታ ዝመሓየሽ ኣብ ስራሕ ቦታ ከይርከባ ኣዚዙ። እቲ ትማሊ ሰንበት ዝተመሓላለፈ ኣዋጅ፡ ጣሊባን ባንዴረኦም ኣብ ቤተ መንግስቲ ምስ ሰቐሉ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ዝመጽአ ኾይኑ፡ መንግስታዊ ምሕደራ ብዕሊ ምጅማሮም ዘመልክት እዩ ተባሂሉ። ካብቲ ብህዝቢ ዝተመርጸ መንግስቲ ስልጣን ብሓይሊ ካብ ዝምንጥሉ እነሆ ሓደ ወርሒ ኣቁጺሩ። እቲ ሓድሽ ፖሊሲ፡ ካብቲ ብቕድሚኡ ምሕደራ ተዘርጊሑ ዝነበረ ስርዓተ ትምህርቲ ኣዝዩ ዝፍለ እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ናብ ኣብያተ ትምህርቲ እንክኸዳ ዝተፈለየ ኣከዳድና ኣይሕተታን ነይረን፡ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ሓቢረን ጎና ጎኒ ተቐሚጠን ይመሃራ ነይረን። እንተኾነ፡ ሚኒስተር ሃቃኒ ነዚ ናይ ፖሊሲ ለውጢ እንትገብር ሰጋእ ኣይበለን። \"እቲ ሓቢርካ ምምሃር ክቋረጽ ምግባር ጸገም የብሉን። ህዝብና፡ ህዝበ ሙስሊም ክሳዕ ዝኾነ ነቲ ለውጢ ክቕበል ኣለዎ\" ኢሉ። ደቂ ኣንስትዮ ንበይነን ተፈልየን ክመሃራ ዘኽእል እኹል ቀረብ የለን'ሞ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ትምህርቲ ንክቦኽራ ከይገብር ዝብል፡ ስግኣታት ይለዓሉ ኣለዉ። እንተኾነ፡ እቲ ሚኒስተር ትመህርቲ፡ እኹላት መምህራን ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋና፡ እኹል ቦታ ድማ ኣለና ክብል ተዛሪቡ። እንተዘይኮይኑ፡ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ድሕሪት መጋረጃ ኾይኖም ከምህሩ ወይ ድማ ዝኾነ ካልእ ቴክኖሎጂ ክንጥቀም ኢና ኢሉ። እቲ ብጾታ ምፍልላይ ኣብ መባእታን ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ'ውን ክትግበር ምዃኑ እዩ ዝግለጽ። ደቂ ኣንስትዮ ሒጃብ ክኽደና ምዃነን፤ እንተኾነ፡ ገጸን ኽሽፈና ክግደዳ ከምዘለዎን ኣየብረሀን። ብዛዕባ እቶም ዝወሃቡ ዓይነታት ትምህርቲ ድማ፡ ከም ብሓድሽ ግምገማ ከምዝተገብረን፡ ምስ እስላማዊ ሕግጋት ዝሳነዩን ከምኡ ድማ ምስ ካልኦት ሃገራት ንምውድዳር ዘኽእሉ ሚዛን ዝሓለወ ስርዓተ ትምሀርቲ ክኸውን ከምዝተወሰነ ሓቢሩ። እቲ ሓድሽ ፖሊሲ ትማሊ ኣብ ርእሰ ከተማ ካቡል፡ ንጣሊባን ድጋፍ ኣብ ሰልፊ ንዝወጽኣ ደቂ ኣንስትዮ እዩ ተነቢቡ። ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ነቲ ሓድሽ መንግስቲ ጣሊባን ዝንእድ ዘረባታት ከምዝተሰምዐ'ውን ተሓቢሩ። ካልኦት ነዚ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወጽአ ፖሊሲ ዝቃወሙን፡ ንመሰለን ደቂ ኣንስትዮ ዝሕለቁ ናይ ተቓውሞ ሰልፊታት ድማ ተሰራጥዮም ተባሂሉ። ጣሊባን ብ2001 ካብ ስልጣን ካብ ዝእለዩ ጀሚሩ፡ ኣብታ ሃገር ብዙሕ ምምሕያሻት እዩ ተኣታትዩ ጸኒሑ። ብፍላይ ድማ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ትምህርቲ ኣብ ምስፍሕፋሕ ዓቢ ዝላ ከምዝነበረ ይዝረብ። ድሕሪ ጣሊባን ዳርጋ ካብ ዜሮ ናብ 2.5 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ ናብ ትመህርቲ ከምዝኸዳ፡ ካብ ዩኔስኮ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት። ምጥፋእ መሃይምነት ድማ ብ30 ሚኢታዊ ከምዝወሰኸ እቲ ሓበሬታ የረድእ። ብዙሓት ፍሉጣት ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋኒስታን፡ ምምጻእ ጣሊባን ምስ ተረጋገጸ፡ ነታ ሃገር ገዲፈን ናብ ካልኦት ዓድታት ተሰዲደን ከምዘለዋ ይዝረብ።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58542090"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሲቫላውያን ዝበጽሐ ጉድኣት መጥቃዕቲ ኣየር ትምርምሮ ከምዘላ ገሊጻ","content":"ኣመሪካ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ሓያሎ ቆልዑ ዝርከብዎም 10 ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ከምዝቐተለ፡ ካብቲ መጥቃዕቲ ዝደሓኑ ቤተሰብ ንቢቢሲ ሓቢሮም። እቲ ትማሊ ሰንበት ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ካቡል ዝርከብ መንበሪ ገዛ ናይታ ስድራቤት ዝነበረት መኪና ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ ተፈሊጡ። ሰራዊት ኣመሪካ ከምዝበሎ፡ እታ መኪና ሓደ ምስ ዳዕሽ ጨንፈር ኣፍጋኒስታን ርክብ ዝነበሮ ውልቀሰብ ሒዛ ነይራ። ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት ተሃሪሞም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ብምእማት፡ ነቲ ጸብጻብ ይምርምርዎ ከምዘለዉ ኣመሪካ ገሊጻ'ላ። ካብቶም ግዳያት ናይቲ መጥቃዕቲ ዝኾኑ ህጻናት እታ ዝናኣሰት ጓል 2 ዓመት ክትከውን እንከላ እቲ ዝዓበየ ድማ ወዲ 12 ዓመት ምዃኑ ጸብጻባት ጠቒሶም። ገለ ግዳያት'ውን ምስ ዓለምለኻውያን ውድባት ዝሰርሑ፡ ከምኡ'ውን ናብ ኣመሪካ ዘእትዎም ቪዛ ሒዞም ዝነበሩ'ዮም። ሓደ ካብ ቤተሰብ ግዳያት ዝኾነ፡ ኢማል ኣሕማዲ ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ እታ ዝነኣሰት ግዳይ ህጻን ሱማያ ጓሉ ምዃና ብምጥቃስ\" ኣመሪካ \"ጌጋ፡ ዓቢ ጌጋ ፈጺማ\" ክብል ነቒፉ። ካልእ ቤተሰብ ግዳያት ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ ድማ፡ \"ቅኑዕ ኣይኮነን፡ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ'ዩ። ኣብ ግጉይ ሓበሬታ ዝተመስረተ'ዩ\" ኢሉ። ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕን ጎዶቦታቱን ዝተዋፈረ ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ፡ ነቶም ጸብጻባት ይምርምሮም ከምዘሎ ገሊጹ'ሎ። እቲ ወተሃደራዊ እዚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ድሕሪ'ቲ ናይ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ መጥቃዕቲ፡ ነትጒ ከምዝተራእየን፡ ነታጒ ኣብቲ ቦታ ከምዝነበረ ዝሕብርን'ዩ ኢሉ። እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ብሰኑይ ዳዕሽ ጨፈንር ኣፍጋኒስታን ሓያሎ ሮኴታት ናብቲ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሰራዊት ኣመሪካ ዝርከብ ዓለምለኻዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ከምዝተኮሱ ገሊጾም። ጸረ-ሚሳይላት ሰራዊት ኣመሪካ፡ ብውሕዱ ሓሙሽተ ዝኾኑ ተወንጨፍቲ ሮኴታት ከምዘበርዓነ ኣመሪካ ሓቢራ። እንተኾነ ግን፡ እቲ መጥቃዕቲታት ነቲ ሰራዊት ኣመሪካ ዘካይዶ ዘሎ ዜጋታቱን ተሓባበርቱን ናይ ምውጻእ ስርሒታት ከምዘይዕንቅፎ ኣመሪካ ገሊጻ'ላ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ማእከል እቶም ካብ ኣፍጋኒስታን ንምውጻእ ኣብ ኣፍደገ'ቲ መዕርፎ ነፈርቲ ተኣኪቦም ዝነበሩ ኣፍጋኒስታናውያን ብዝተባርዐ ነታጒ ልዕሊ 13 ኣመሪካውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ሰባት ምቕታሎም ይዝከር። ኣመሪካ፡ ኣብታ ሃገር ዝጸንሓ ናይ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ህላወ፡ ዕጡቓት ጣሊባን ንከተማ ካቡል ድሕሪ ምቁጻጸሮም ኣብ ዘብቅዓሉ ዘሎ እዋን፡ ዜጋታታትን ተሓባበርታን ንምውጻእ ኣብ ኣዋጣሪ ኩነታት ኣትያ ምህላዋ ይፍለጥ።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58387852"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን፡ ምውጻእ ናይ መወዳእታ ወተሃደር ምልክት ምዝዛም ዝነውሐ ኲናት ኣመሪካ","content":"ናይ መወዳእታ ወተሃደራዊ በረራ ነፋሪት ኣመሪካ ካብ ካቡል ምብጋሳ፡ ነቲ ን20 ዓመታት ዝቐጸለ ኣዘራራቢ ህላወ ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘኽትም እዩ።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58407175"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን፡ ደቂኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ኣብ ገዛ ክጽነሓ ጣሊባን ሓቲቱ","content":"ኣፍጋኒስታውያን ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት፡ ንውሕስነተን ዘረጋግጽ ስርዓት ተግባራዊ ክሳዕ ዝኸውን ኣብ ገዛ ክጸንሓ ከም ዝግባእ ወሃቢ ቃል ጣሊባን ተዛሪቡ። ወሃቢ ቃል ጣሊባነዕ ዛቢሁላህ ሙጃሂድ፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ መምርሒ ንግዚኡ ምዃኑ ሓቢሩ። ክሳዕ 2001 ንኣፍጋኒስታን ኣብ ዝመርሓሉ ግዜ ሕሉፍ እስላማዊ ሕጋጋት ዘስገድድ ጣሊባን ቅድሚ ትሽዓተ መዓልትታት እዩ ደጊሙ ንመላእ እታ ሃገር ተቖጻጺሩ። ሕቡራት ሃገራት፡ ጣሊባን ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ናይ ሞት መቕጻዕትን ቀይድታትን ዝርከብዎ ግፍዕታት ከም ዝፍጽም \"ካብ እሙናት\" ምንጭታት ጸብጻባት ከም ዝበጽሖ ገሊጹ እዩ። ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባችለት፡ መሰላት ደቂኣንስትዮ \"መሰረታዊ ቀይሕ መስመር\" ምዃኑ ብምግላጽ ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝከታተል ኣካል ከቑሙ ብሰሉስ ተማሕጺና። ንሳ ወሲኻ፡ ቀይድታት ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮን ቖልዑ ናብ ውትህድርና ምስላፍን ዝርከብዎም ጸብጻባት ካልኦት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝበጽሕዋ ንቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሓቢራ። ኣፈኛ ጣሊባን ሰሉስ ኣማስዩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግና ዝኾነ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ደቂኣንስትዮ ተነቢሩ ዘሎ ቀይዲ ግዝያዊ ምዃኑ ተዛሪቡ። ዛቢሁላህ ሙጃሂድ ኣብ ካቡል ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ \"ናይ ጸጥታ ሓይልታትና፡ ንደቂኣንስትዮ ከመይ ክሕዙ ከም ዘለዎም፡ ብኸመይ ከምዛዛርቡወን ስልጠና ኣይተዋሃቦምን. . . ምሉእ ጸጥታ ተግባራዊ ክሳዕ እንገብር፡ ደቂኣንስትዮ ኣብ ገዛ ክጸንሓ ንሓትት\" ኢሉ። ንሱ ወሲኹ ብምኽንያት እቲ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ዘሎ ዕግርግር ዜጋታት ኣፍጋኒስታን ናብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ክኸዱ ከም ዘይፍቀደሎም'ውን ሓቢሩ። ናብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ክኣትው ክፍትኑ ዝጸንሑ ኣፍጋናውያን ናብ ቤቶም ክኸዱን ኣመሪካ ንእዖም ካብ ምትብባዕ ክትቁጠብን እቲ ኣፈኛ ሓቲቱ። ጣሊባን ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ መዓልትታት ከባቢ 50,000 ወጻእተኛታትን ኣፍጋናውያንን ብመዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ኣቢሎም ካብታ ሃገር ኣምሊጦም ኣለው። ሰባት ግዳይ ሕነ ምፍዳይ ይኾኑ ኣለው ንዝብል ጸብጻብ እቲ ኣፈኛ ክነጽግ ከሎ፤ \"ንኹሉ ሕሉፍ ነገር ረሲዕናዮ ኢና\" ኢሉ። ኣመሪካን ምዕራባውያን መሻርኽታን ወተሃደራተን ካብታ ሃገር ድሕሪ ምስሓበን በርቃዊ መጥቃዕትታት ብምክያድ ናብ ስልጣን ዝተመለሰ ጉጅለ ጣሊባን፡ ንደቂኣንስትዮን ኣዋልድን ገለ ናጽነት ናይ ምዝራብ ከም ዝህብ ብምግላጽ ምስሉ ንከመሓይሽ ጻዕርታት ይገብር ኣሎ። ቅድሚ 31 ነሓሰ ካብታ ሃገር ንምውጻእ ተስፋ ብምግባር ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ጌና ይጽበዩ ኣለው። ፐረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ሰራዊቱ ካብ ኣፍጋኒስታን ክሳዕ 31 ነሓሰ ጠቕሊሉ ክወጽእ እዩ ትልሙ። ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ጀርመንን እቲ መዓልቲ ክናዋሕ ሓቲተን ኣለዋ። ጸሐፊ ምክልኻል ብሪጣንያ በን ዋላስ ግና፡ ባይደን ነቲ መዓልቲ ከም ዘየናውሖ ተዛሪቡ። ጣሊባን እቲ መዓልቲ ከይናዋሕ ኣጠንቂቑ ኣሎ። ባይደን ሎሚ ሰሉስ ምስ መራሕቲ ናይተን ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ጉጅለ 7 ኣኼባ የካይድ ኣሎ። ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣበዚ ዓመት ልዕሊ 550 ሽሕ ሰባት ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም እዮም። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሓላፊ ስለያ ኣመሪካ - ሲኣይኤ ብሕቡእ ኣብ ካቡል ምስ መስራቲ ጣሊባን ሙላህ ባራዳር ርክብ ከም ዘካየደ፡ ዋሽንግተን ፖስት ብሰሉስ ጸብጺቡ። እዚ እቲ ብኣመሪካ ዝድገፍ መንግስቲ ድሕሪ ምእላዩ፡ ዛጊት ኣብ መንጎ ኣመሪካን ጣሊባንን ዝተኻየደ ዝለዓለ ርክብ ምዃኑ'ውን ኣረጋጊጹ።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58324078"} {"headline":"ልዕሊ 800 ስደተኛታት ኣብ ሓደ መዓልቲ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ዓባይ ብርጣንያ ኣትዮም","content":"ብቀዳም ኣብ ሓደ መዓልቲ ልዕሊ 800 ስደተኛታት 'ንእንግሊዝ ቻነል' ብምቁራጽ ናብ ዓባይ ብርጣንያ ብምእታዎም፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ናብ ዓባይ ብርጣንያ ካብ ዝኣተዉ ዝልዓለ ቁጽሪ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ። ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ኣስታት 200 ስደተኛታት'ውን ብሓለዋ ባህሪ ፈረንሳ ተታሒዞም ናብ ዓባይ ብርጣንያ ካብ ምስጋር ከምዝተዓገቱ እቲ ዝወጽአ ሓበሬታ ይጠቅስ። ኣብዛ ገና ዘይተዛዘመት ዓመት ክሳብ ሕጂ 12500 ስደተኛታት ንእንግሊዝ ቻነል ኣቃሪጾም ናብ ዓባይ ብርጣንያ ኣትዮም ኣለዉ። ሰብ መዚ ንስደተኛታት ሕጋውን ድሑንን መንገዲ ስለዘሎ፡ ነቶም 'ብሓደገኛ መንግዲ' ካብን ናብን ሃገራት ዝሰግሩ ስደተኛታት ንምክልኻል ምስ መሻርኽቶም ኮይኖም ይሰርሑ ምህላዎም ይጠቅሱ። ሰብ መዚ ዓባይ ብርጣንያ እቶም ብቀዳም ንእንግሊዝ ቻነል ኣቋሪጾም ናብ ዓባይ ብርጣንያ ዝኣተዉ ስደተኛታት ቁጽሮም 828 ኮይኑ ብ30 ጀላቡ ተጠቂሞም ከምዝሰገሩ ገሊጾም፡ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ኣብ 19 ጀላቡ ተሰቂሎም ናብ ብረጣንያ ክሰግሩ ዝፈተኑ 193 ስደተኛታት ኸኣ ብፈረንሳ ከምዝተተሓዙ ተገሊጹ። ሰንበትን ሰኑይን ግን ንእንግሊዝ ቻነል ኣቋሪጾም ናብ ዓባይ ብርጣንያ ዝኣተዉ ስደተኛታት ከምዘየለዉ ተገሊጹ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ 12 ነሓሰ 592 ሰድትኛታት ኣብ ሓደ መዓልቲ ንእንግሊዝ ቻነል ኣቓሪጾም ናብ ዓባይ ብርጣንያ ድሕሪ ምእታዎም እቲ ቁጽሪ ዝልዓለ ተባሂሉ እዩ ተመዝጊቡ ጸኒሑ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሞንጎ መንግስታት ፈረንሳን ዓዲ እንገሊዝን ብዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ፈረንሳ ኣብ ሓለዋ ባሕሪ እንግሊዝ ቻነል ተዋፍሮም ሰራዊት ብዕጽፊ ከተዛይዶም እያ፡ ብዘይካ እዚ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ንሓድሕደን ሓበሬታ ብምልውዋጥ ነቶም ነዚ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ዘወሃህዱ ሰባትን ጉጅለን ኣብ ምህዳን ክዋፈራ እየን። መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ፡ ሕግጋት ሓተትቲ ዑቕባ ብምትራር ቁጽሪ ስደተኛታት ክንኪ'ዩ ዝሓስብ። ብመሰረት እዚ ካብ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ተነዲፉ ዘሎ ሕጊ እንተጸዲቑ፡ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዶብ ዓባይ ብርጣንያ ሰጊሩ ዝኣተወ ሰብ ክሳብ 4 ዓመት ክእሰር ዘገድድ ሕጊ ተነዲፍዎ ይርከብ። እዚ ናይ ቀዳም ክስተት ዓባይ ብርጣንያ 5000 ኣፍጋናውያን ስደተኛታት ሕጂ ክትቅበል፡ ኣብ መጻኢ ኸኣ ነቲ ቁጽሪ ናብ 20 ሽሕ ክብ ከተብሎ ቃል ኣብ ዝኣተወትሉ እዩ ዘጋጥም ዘሎ።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58313660"} {"headline":"ጣሊባን ንካቡል ድሕሪ ምቁጽጻሩ ኣፍጋናውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣለዋ?","content":"ጣሊባን ንካቡል ድሕሪ ምቁጽጻሩ፡ ኣፋጋናውያን ደቂ ኣንስትዮ ዕለታዊ ህይወተን ከመይ ተጸልዩ ከም ዘሎ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሰካንደር ከርማኒ ኣዘራሪብወን ኣሎ።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58382473"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን፡ ኣመሪካ ሰራሕተኛታታ ካብታ ሃገር ንምውጻእ ንመዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ተቖጻጺራ","content":"ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምቁጽጻሩ፡ ዓቕሎም ዝጸበቦም ነበርቲ ካብታ ከተማ ኣብ ዝሃድሙሉ ኩነታት፡ ሰራዊት ኣመሪካ ንኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ይቆጻጸር ምህላው ተገሊጹ። ነቲ ከባቢ ኣውሒሱ ዘሎ ሰራዊት ኣመሪካ፡ ንበረራ ነፈርቲ ብምቁጽጻር ኣመሪካውያንን መሻርኽቲ ሰራሕተኛታትን ካብታ ሃገር ንምውጻእ ይሰርሕ ኣሎ። ዝበዝሐ ንግዳዊ በረራታት ክድስክል እንከሎ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣፍጋናውያንን ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ሓዲግ ተሪፎም ኣለው። መንግስቲ እታ ሃገር ብሰንበት ድሕሪ ምውዳቑ፡ ጣሊባን ከም ዝተዓወተ ገሊጹ እዩ። ፕረዚደንት ኣሽራፍ ጋኒ ናብ ወጻኢ ሃገር ሃዲሙ ኣሎ። እቶም ዕጡቓት ናብ መሪሕነት ምምጽኦም፡ ነቲ ንከባቢ 20 ዓመታት ኣብታ ሃገር ዝጸንሐ ብኣመሪካ ዝምራሕ ኪዳን መኸተምታ ገይሩሉ ኣሎ። ጣሊባን ንመላእ እታ ሃገር ንምቁጽጻር ቅድሚ ኣዋርሕ ዝጀመሮ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ናህሩ ክውስኽ እንከሎ ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ንብዙሕ ከባቢታት ተቖጻጺሮም እዮም። እቲ እስላማዊ ጉጅላ፡ ናይ ወጻኢ ሃገር ወተሃደራት ካብታ ሃገር ድሕሪ ምስሓቦም እዩ ዝተፈላለየ ከባቢታት ክቆጻጸር ክኢሉ። ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ንምስሓብ ሰራዊት ኣመሪካ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ \"ኣብ ኲናት ሓድሕድ ካልእ ሃገር መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ኩነት ኣመሪካ ክትጸንሕ ኣይትኽእልን\" ኢሉ። ጣሊባን ንካቡል ድሕሪ ምቁጽጻሩ፡ ብዙሓት ሰባት ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ኣምሪሖም። ኣመሪካ ንብምልኦም ሰራሕተኛታት ኤምባሲኣ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዘብጽሐቶም ክትገልጽ እንከላ፡ ነቲ ስርሒት ንምሕጋዝ ኣስታት 6,000 ወተሃደራት ናብቲ ስፋራ ተላኢኾም ኣለው። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣመሪካውያን፡ ሰራሕተኛታት እቲ ኤምባሲ ዝነበሩ ኣፍጋናውያንን ኣባላት ስድራቤቶምን ከምኡ'ውን ካልኦት \"ተቓላዕቲ ኣፍጋናውያን\" ኣብ ዝቕጽሉ መዓልትታት ብኣየር ካብታ ሃገር ክወጽኡ ምዃኖም ሓደ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። ብዙሓት ንግዳውያን በረራታት መገዶም ናብ ከባቢ ካቡል ዝርከባ ካልኦት ከተማታት ክቕይሩ እንከለው ካልኦት በረራታት ድማ ተወንዚፎም ኣለው። ሰንበት ምሸት ዝተሳእለ ሓደ ቪድዮ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ነታ ካብታ ከተማ ትብገስ ዝነበረት ናይ መወዳእታ በረራ ከርክቡ ክጎዩ የርእይ። ኣመሪካን ብሪጣንያን ዝርከብወን ልዕሊ 60 ሃገራት ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ህዝቢ ኣፍጋኒስታን \"ብውሕስነት፡ ኣብ ድሕነትን ብኽብርን ክነብር ከም ዝግብኦ\" ብምሕባር፤ ጸጥታን ምርግጋእን ብቕልጡፍ ክምለስ ከም ዝግባእ ገሊጸን። ጣሊባን ካብታ ሃገር ክወጽእ ንዝደልይ ዘበለ ኩሉ ከፍቅድ፡ ጽርግያታት፡ መዓርፎ ነፈርትታትን ዶባትን ክፉት ክገብር'ውን ጸዊዐን።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58227666"} {"headline":"ኣብ ስደት ዝርከብ ፕረዚደንት ኣፍጋኒስታን ሚልዮናት ዶላር ወሲዱ ንዝብል ክሲ ነጺጉ","content":"ፕረዚደንት ኣፍጋኒስታን ኣሽራፍ ጋኒ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተዓቊቡ ምህላው ሰብ መዚ ኢማራት ኣፍሊጦም። እቲ ፕረዚደንት፡ ሓይልታት ጣሊባን ናብ ካቡል ምስ ቀረቡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት እዩ ካብ ኣፍጋኒስታን ሃዲሙ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ፕረዚደንትን ስድራቤቱን ብሰብኣውነት ከም ዝተቐበሎም ኣፍሊጡ። ፕረዚደንት ጋኒ ብረቡዕ ብቪድዮ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ከም ዘይሃደመ ብምግላጽ፡ \"ከቢድ ሓደጋ\" ምእንቲ ከየጋጥም ክእለ ከምዝመረጸ ተዛሪቡ። \"ምፍሳስ ደምን ሕንፍሽፍሽን ምእንቲ ደው ክብል፡ ንግዚኡ ኣብ ኢማራት ኣለኹ፤ . . . ናብ ኣፍጋኒስታን ክምለስ ኣብ ዝርርብ እየ ዘለኹ\" ኢሉ። ንሱ ወሲኹ፡ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብዙሕ ገንዘብ ሒዙ ከም ዝኸደ ንዝገልጽ ወረ \"ፍጹም መሰረት ዘይብሉ ሓሶት\" ክብል ነጺግዎ። እቲ ወዲ 72 ዓመት ነታ ሃገር ገዲፉ ብምኻዱ ብብዙሓት ፖለቲከኛታት ይንቀፍ። ኣቦመንበር ላዕለዋይ ቤትምኽሪ ንሃገራዊ ዕርቂ ዓብዱላ ዓብዱላ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ \"ኣምላኽ ክሓቶ እዩ፡ እታ ሃገር'ውን ክትፈርዶ እያ\" ኢሉ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን እውን ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ካብታ ሃገር ምህዳሙ ነቒፉ። ምክትል ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ዌንዲ ሸርማን ብወገና ብረቡዕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ ኣሽራፍ ጋኒ \"ደጊም ኣብ ኣፍጋኒስታን ከም መራሒ ከም ዘይርአ\" ተዛሪባ። እንተኾነ፡ ኣመሪካ ግቡእ ምርኽኻብ ስልጣን ከም ዘይተኻየደ ብምግላጽ \"ፕረዚደንት ኣሽራፍ ጋኒ\" ብዝብል ምጥቃስ ቀጺላ ኣላ። እቲ ፕረዚደንት ብፌስቡክ ብቀጥታ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ኣባላት ጸጥታኡ ካብቲ ቤተ መንግስቲ ወጢጦም ከም ዘውጽእዎን \"ሳእኑ'ውን ክገብር ዕድል ከምዘይረኸበን\" ተዛሪቡ። \"እቲ ኩነታት ብቕልጡፍ እዩ ተቐያዪሩ። ምስ ጣሊባን ክዛተን ሓባራዊ መንግስቲ ከቕውምን ደልየ ኔረ\" ብምባል መንግስቱ ምስ ጣሊባን ምዝርራቡ ከም ዝድግፍ ገሊጹ። ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ካብ ስልጣኖም ንዝተገለፉ ወይ ንዝሃደሙ መራሕቲ ክተዑቅብ እዚ ናይ ፈለማኣ ኣይኮነን። ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን በናዚር ቡቶ ቅድሚ ናብ ስልጣን ምምላሳ፡ ኣብ 1990ታት ንዱባይ መንበሪኣ ጌራ ነይራ። እንተኾነ ግና እታ ብዙሓት ኣፍጋናውያንን ፓኪስታናውያንን ሰራሕተኛታት ዝርከብዋ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፤ እቲ ግዝኣታ ናይ ፖለቲካ መድረኽ ክኸውን ከም ዘይትደሊ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ፍራንክ ጋርድነር ይገልጽ። ኣብ 2014 ናብ ስልጣን ዝመጸ ኣሽራፍ ጋኒ፡ ኣብ ለካቲት 2020 ደጊሙ ተመሪጹ እዩ። ንሱ ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት፡ ጣሊባን ንመላእ ኣፍጋኒስታን ክቆጻጸር ይኽእል እዩ ንዝብል ስግኣት ነጺግዎ ነይሩ። \"እዚ ቬትናም ኣይኮነን። መንግስቲ ይፈርስ የሎን\" ኢሉ።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58266542"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን፡ ምትሓዝ ካቡል ንምንታይ እዩ ምስ ኵናት ቬትናምን ምትሓዝ ሳይጎንን ዝመሳሰል ዘሎ?","content":"መንግስቲ ኣመሪካ ካብ ርእሰ ከተማ ካቡል ሰራዊቱ ኣብ ዘውጽኣሉ ዘሎ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ሄሊኮፕተር ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ናይ ገዛ ዓሊባ ሰባት እናሰቐለት እንከላ ዝተወስደ ናይ ቀደም ስእሊ ሰባት ክቐባበሉላ ትርአ ኣላ። ጎኒ ጎና ኸኣ ሄሊኮፕተር ኣመሪካ ኣብ ካቡል ካብ ዝርከብ ኢምባሲ እታ ሃገር እናዓለበት ዘርኢ እዩ። እታ ስእሊ ብዙሓት ዝፈልጥዋ ስእሊ እያ። እተን ስእሊ ክልተ ኮይነን እታ ሓንቲ ናይ 2021 ክትከውን እንከላ እታ ካልኣይቲ ከኣ ናይ 1975 እያ። እታ ሓንቲ ኣብ 1975 ብሰኣላይ ሄልበርት ቫን ኢስ ዝተሰኣለት ስእሊ ሄሊኮፕተር ኣመሪካ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይ ቬትናም ከተማ ሳይጎን ኣብ ሓደ ናሕሲ ዓሊባ ሰባት እናኣውጽአት ተርኢ እያ። ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣመሪካ ኣብ ቬትናም ዝተጎልበበቶ ስዕረት ምስቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን'ውን ዘጋጥማ ዘሎ ብምውድዳር እዮም ዘመሳስልዎ ዘለዉ። ኵናት ቬትናም ኣብ መንጎ ዴሳዊ መንግስቲ ዝኾነ ሰሜን ቬትናምን ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝድገፍ መንግስቲ ደቡብ ቬትናም እዩ ነይሩ። እቲ ኵናት ንኣስታት 20 ዓመታት ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ንኣመሪካውያን ኣብ ክልተ ዝገመዐ ነይሩ፡ ሓደ ሸነኽ ኣመሪካ ኢዳ ኣይትሓውስ ዝብሉ እንከለዉ፡ ካልኦት ከኣ ኣመሪካ ወተሃደራት ናብ ቬትናም ምልኣኻ ቅኑዕ'ዩ ብምባል ዝድግፉ እዮም። እታ 'ዘ ፎል ኦፍ ሳይጎን' እናተብሃለት ትጽዋዕ ስእሊ፡ ሰሜን ቬትናማውያን ንርእሰ ከተማ ደቡብ ቬትናም ዝኾነት ከተማ ሳይጎን ምስ ሓዝዋ ዝተሰኣለት እያ። እቲ እዋን ኸኣ 30 ሚያዝያ 1975 እዩ ነይሩ። እቲ ኣብ እዋን ዝሑል ኵናት ሕብረት ሶቭይትን ኣመሪካን ዝተኻየደ ኵናት፡ እታ ብሕብረት ሶቭየት ትድገፍ ሰሜን ቬትናም እያ ጸብለል ኢላ ክትወጽእ ክኢላ። እታ ብኣማኢት ኣሽሓት ወተሃደራትን ኣመሪካን ምዕራባውያን ሓይልታት ትድገፍ ዝነበረት ደቡብ ቬትናም ኸኣ ንሳን ደገፍታን ርእሰን ከድንና ዘገድድ ክስትት እዩ ነይሩ። እታ ኣብ 1975 ብሰኣላይ ሄልበርት ቫን ኢስ ዝተሰኣለት ስእሊ ኸኣ መዘከሪ እቲ እዋን ኮይን ትርከብ። ኣመሪካ ኣብ 1973 እያ ወተሃደራታ ካብ ደቡብ ቬትናም ስሒባ፡ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ኸኣ ሰሜን ቬትናማውያን ንርእሰ ከተማ ሳይጎን ተቐጻጺሮማ ድሕሪኦም'ውን ንስም እታ ከተማ ንዝኽሪ መራሒ ሰሜን ቬትናም ናብ ሆ ቺ ሚን ቀይሮማ። ሰሜን ቬትናማውያን ካብ ትጽቢት ናይ ኣመሪካ ወጻኢ፡ ኣመሪካ ካብ ደቡብ ቬትናም ምስ ወጽአት ቀልጢፎም'ዮም ኣብ ክልተ ዓመት እዮም ተቆጻጺሮማ። ኣመሪካ ኸኣ 'ፍሪኮንት ዊንድ' ኢላ ብዝጸውዓቶ ስርሒት ልዕሊ 7,000 ኣመሪካውያን፤ ደቡብ ቬትናማውያንን ናይ ወጻኢ ዜጋታትን ካብታ ርእሰ ከተማ ከተውጽእ ክኢላ እያ። ናይ ካቡልን ናይ ሳይጎንን ፍጻመምንጽጻርፍትሓዊ ድዩ? ኵናት ቬትናም ንኣመሪካ ልዕሊ 58 ሽሕ ህይወት እዩ ኣኽፊልዋ፡ ከምውጽኢቱ'ውን መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ህዝቡን ኣብ ዓለምን ዝነበሮ ተቐባልነት ከንቆልቅል ምኽንያት ኮይኑ እዩ። ብዙሓት ኣመሪካውያን ክኢላታት ናይ ሕጊ እቲ ናይ ካቡል ክስተት 'ናይ ጆ ባይደን ሳይጎን'ዩ' ኢሎም ይገልጽዎ ኣለዉ። ኣደ መንበር ሪፓብሊካን ኢለሰ \"ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ዘጋጠመና ንዘልኣለም ዘይርሳዕ ውድቀት\" ብምባል ኣብ ትዊተር ጽሒፋ። ብሓፈሻ ግን ንኽልቲኡ እቲ ክስተታት ዝፈላልዮ ነገራት ኣሎ፡ ከተማ ሳይጎን ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ቬትናም ምስ ወጽአ ድሕሪ ክልተ ዓመት እያ ተታሒዛ፡ ከተማ ካቡል ግን ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጽኡ ኣብ ዝሸባሸብሉ እዋን እዩ ዘጋጥም ዘሎ። ኣብ 1975 ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጀራርድ ፎርድ ኣብ ተቐባልነቱ ዝፈጠረሉ ጽልዋ ግዙፍ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ ጉዳይ ካቡል ንጆባይደን ዘፈጥረሉ ጽልዋ ግን ብሕጂ እዩ ክርአ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ኖቲንግሃም መምህር ዝኾነ ፕሮፌሰር ክሪስቶፈር ፕሌፕ እውን ምስዚ ሓሳብ እዚ እዩ ዝሰማማዕ \"እዚ ከም ክሳራ እዩ ክርአ፡ ብግደ ሓቂ'ውን ንኣመሪካ ውርደት'ዩ፡ በቲ ኢልና በዚ'ውን እቲ ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ ብጆ ባይደን'ዩ ተኻይዱ\" ኢሉ።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/58202122"} {"headline":"ሕጊ ሸሪዓ እንታይ እዩ? ኣብ ኣፍጋኒስታን ንዝነብራ ደቀንስትዮኸ እንታይ ትርጕም ኣለዎ?","content":"ጣሊባን፡ ንኣፍጋኒስታን ብመሰረት እስላማዊ 'ሕጊ ሸሪዓ’ ከምዘመሓድሩዋ ይገልጹ ኣለው። ኣፈኛ ጣሊባን ንካቡል ድሕሪ ምቍጽጻሮም ኣብ ዝሃቦ ናይ መጀመርታ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንከም መራኸቢ ብዙሃንን መሰል ደቂ ኣንስትዮን ዝኣመሰለ ዛዕባታት \"ኣብ ውሽጢ እስላማዊ ሕጊ\" ክኽበር ምዃኑ ገሊጹ። ኪኖኡ ግን እቲ ጕጅለ ዝኾነ ይኹን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን። ይኹን እምበር ጣሊባን ቅድም ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ቅትለትን ዝሙትን ንዝተረኽቡ ገበነኛታት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብሞት ይቐጽዕ ምንባሩ ይፍለጥ። ሕጊ ሸሪዓ እንታይ እዩ? ሕጊ ሸሪዓ ናይ እስልምና ወግዓዊ ሕጊ እዩ። እቲ ቃል፡ ካብ ቍርኣንን እስላማዊ ጽሑፍን ዝመንጨወ ወግዓዊ መምርሒ ኣመንቲ ምስልምና እዩ። ኣብ ኣተረጓጕማ ናይ ሕጊ ከኣ ዓበይቲ ሊቃውንቲ ምስልምና ይሳተፉዎ። ሸሪዓ ቃል ብቓሉ ክትርጐም ከሎ፡ \"ናብ ጽሩይ ማይ ዝወስድ ንጹርን ርጉጽን መገዲ\" ማለት እዩ። ኣብ ሓደ ጉዳይ 'ፈትዋ' ተዋሂቡ ክበሃል ከሎ፡ ኣብ ቀንዲ ዛዕባ ናይቲ ጉዳይ፡ ብዓበይቲ ሊቃውንቲ እቲ ሃይማኖት ናይ ኣተረጓግማ ትርጉም ተዋሂቡ ማለት እዩ። ሕጊ ሸሪዓ ኩሎም ኣስላም ከኽብርዎ ዘለዎም ናይ ኣናብራ መምርሒ ኮይኑ ከገልግል እንከሎ፤ ጸሎት፡ ጾምን ንድኻታት ምምጽዋትን የጠቓልል። ከምኡ ዝግበረሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ኣመንቲ ምስልምና ንዅሉ መዳያት ህይወቶም ብኸመይ ምስ ድሌት ኣምላኽ ከም ዝሰማማዕ ክገብሩዎ ከምዘለዎም ምእንቲ ኽርድኦም እዩ ። ሕጊ ሸሪዓ፡ ኣብ ግብሪ እንታይ ማለት እዩ ? ሕጊ ሸሪዓ፡ ንእስላም ኩሉ መዳያዊ መዓልታዊ ህይወት ዝሕብር መምርሒ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ኣስላማይ መሳርሕቶም ድሕሪ ስራሕ ናብ ምዝንጋዕ ወይ ባር ንኪኽዱ እንተዓዲሙዎም ንሓደ ናይ ሸሪዓ ምሁር ከይዶም ምኽሪ ይሓትት። ኣብ ሸሪዓ ኣልኮል ምስታይ ኣይፍቀድን እዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ኣልኮል ዝሽየጦ ዱኳናት ኮነ መስተ ኣብ ዝስረሓሉ ትካላት ምስራሕ ኣይፍቀድን’ዩ። ኣልኮላዊ መስተ ምሻጥ ምክፍፋል ወይ መወዓውዒ ምክያድ ክልኩል እዩ። ኣመንቲ ምስልምና፡ ኣብ መዓልታዊ ናብራኦም ንዘገድሶም ኩለ መዳያዊ ሕጊ ናይ ስድራቤት ፋይናንስን ንግድን ዘጠቓልል ምኽርን ሓበሬታን ኣልያን ይረኽቡ። ሕጊ ሸሪዓ ኣብ ክልተ ሓፈሻዊ ክፋላት ይምቀል። እቲ ሓደ ክብድ ዝበለ ገበን ኮይኑ፡ ከቢድ መቕጻዕቲ የኸትል። እቲ ካልኣይ ቅልል ዝበለ ከኣ እቲ ዳኛ ብናቱ ገምጋምን ርድኢትን ዝመሰሎ መቕጻዕቲ ብምብያን ይእርሞ። እቲ ክብድ ዝበለ መቕጻዕቲ ዘስዕብ ከም ስርቅን ዝሙትን ኮይኑ፡ ዝሰረቐ እታ ዝሰረቐት ኢዱ ትቑረጽ፡ እታ ዝዘመወት ከኣ ብዳርባ እምኒ ትቕተል። ሸሪዓ ሰበይትን ሰብኣይን ዝኽደኑዎ ክዳን ብዝርዝር ይድንግግ። ደቀንስትዮ ሰብነተን ዘርኢ ክዳን ክኽደና ኣይፍቀድን። ሓደ ሓደ እስላማውያን ውድባት፡ ኣብቲ ንከቢድ ገበን ዝምልከት መቕጻዕቲ ሸሪዓ ብዕምቆት ምርኣይን ምምርማርን ከምዘድሊ ይምጒቱ እዮም። ሕቡራት ሃገራት ነቲ ብዳርባ እምኒ ዝፍጸም ናይ ሞት መቕጻዕቲ \"ጭካነ ዝመልኦ ኢሰብኣውን ውርደት ዝመልኦ ኣሰቃቒ መቕጻዕቲ እዩ” ብምባል ኣጥቢቑ እዩ ዝኹንኖ። ነቲ ከቢድ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ኵሎም ኣመንቲ ምስልምና ኣይኮኑን ዝፍጽምዎ። ገሊአን ነቲ መቕጻዕቲ ኣየተግብረኦን እየን። ክሳብ ሕጂ እተገብረ መጽናዕትታት ከኣ፡ ኣመንቲ ምስልምና ንከምዚ ዝኣመሰለ ተሪር መቕጻዕቲ ዘለዎም ኣረኣእያ እተፈላለየ ምዃኑ እዩ ዘመልክት። እምነትካ ምሕዳግ ወይ ምቕያር ኣብ ናይ ሙስሊም ዓለም ኣዝዩ ኣካታዒ ጕዳይ እዩ። መብዛሕትኦም ምሁራት ከኣ ከምኡ ዓይነት ተግባር ብሞት ከም ዘቕጽዕ ይኣምኑ። እንተዀነ ግን፡ ሒደት ሰዓብቲ እምነት ምስልምና: ብፍላይ ከኣ እቶም ምስ ሕብረተሰብ ምዕራብ እተወሃሃዱ፡ ኣብዛ ምድራዊት ዓለም \"መቕጻዕቲ\" ንረቢ\/ፈጣሪ ክሕደግ ከም ዘለዎን ሃይማኖት ምቕያር ኣብ ሓደጋ ከም ዘየእቱን ይምጕቱ ። ቁርኣን ንባዕሉ ኣብ ሃይማኖት ምግዳድ ከምዘየሎ እዩ ዝእውጅ። ልክእ ከም ዝዀነ ይኹን ሕጋዊ ስርዓት፡ ሸሪዓ እውን እተሓላለኸ ስለ ዝዀነ፡ ኣፈጻጽምኡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዓይነትን ስልጠናን ክኢላታት እተመርኰሰ እዩ ። እስላማውያን ክኢላታት ሕጊ፡ መምርሒታትን ሕግታትን ይህቡ። እቲ ከም ወግዓዊ ሕጋዊ ብይን ዝውሰድ መምርሒ ከኣ “ፋጥዋ” ይበሃል ። ኣብ ሕጊ ሸሪዓ ሓሙሽተ እተፈላለያ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣሎ። ኣርባዕተ ሰረተ እምነት ሱኒ ከኣ ኣሎ፣ ንሱ ከኣ ሃንባሊ፡ ማሊኪ፡ ሻፊን ሓናፊን፡ ከምኡ እውን ኣብ ሰረተ እምነት ሺዓ ጃፋሪ ኣሎ ። እተን ሓሙሽተ ሰረተ-እምነት ፡ ነቲ ሕጊ ሸሪዓ ሒዝዎ ዘሎ ጽሑፋት ኣብ ምትርጓም ይፈላለያ እየን ።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58266451"} {"headline":"ዛኪ ኣንዋር፡ ኣብ ነፋሪት ኣመሪካ ተንጠልጢሉ ካብ ኣፍጋኒስታን ንምውጻእ ዝፈተነ ስፖርተኛ ሞይቱ","content":"ሰብ መዚ ኣፍጋኒስታን ሓደ መንእሰይ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ትብገስ ኣብ ዝነበረት ወተሃደራዊት ነፋሪት ኣመሪካ ወዲቑ ህይወቱ ከም ዝሓለፈ ኣረጋጊጾም። ወዲ 19 ዓመት ዛኪ ኣንዋር ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ መንእሰያት ኣፍጋኒስታን ዝነበረ እዩ። ካልእ ዝርዝራት ኣማውታኡ ግና ኣይተገለጸን። ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ደጊሙ ምስተቖጻጸረ፡ ሃገራት ምዕራብ ዜጋታተንን ምስኦም ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣፍጋናውያንን ንምውጻአእ ኣብ ዝጓየያሉ ዝነበራ እዋን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ክውሕዙ ተራእዮም። ብሰኑይ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ጎድኒ ነፋሪት ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ኣብ መብረሪ ጽርጊያ ክጎዩ ዘርእይ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ። ገሊኦም ኣብታ ነፋሪት ክሓኹሩ ተራእዮም። እታ ነፋሪት ድሕሪ ምብጋሳ እንተወሓደ ክልተ ሰባት ካብ ኣየር ወዲቖም ከም ዝሞቱ መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ጸብጺበን። ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ብወገኑ እታ ነፋሪት ኣብ ቀጠር ምስ ዓለበት ኣስከሬናት ኣብ ገለ ክፋላት እታ ነፋሪት ኣስከሬናት ምርካቡ ኣረጋጊጹ። ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዳይሬክተር ጀነራል ኣካለዊ ምንቅስቓስን ስፖርትን በቲ ንኣንዋር ዘጋጠሞ ከም ዝሓዘነ ብፌስቡክ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ገሊጹ። ኣስታት 4500 ወተሃደራት ኣመሪካ ነቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ካቡል ዝርከብ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ካርዛይ ንግዚኡ ተቖጻጺሮምዎ ኣለው። ሓይልታት ጣሊባን ነቶም ናይ መገሻ ሰነዳት ዘይብሎም ኣፍጋናውያን ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ከይኣትው ክኽልክሉ እንከለው፤ እቶም ግቡእ ሰነዳት ዘለዎም'ውን ንምሕላፍ ብዙሕ ከም ዝጽገሙ ይግለጽ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ነቲ ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ዝወጸትሉ ኣገባብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ እቲ ዝበለጸ ውሳነ ምዃኑ ገሊጹ። ንሱ ወሲኹ፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ነቲ ምውጻእ ዜጋታት ከፈጽሙ፤ ኪንዮ እቲ ምስ ጣሊባን ስምምዕ ዝተገበረሉን ተተሊሙ ዝነበረን 31 ነሓሰ ኣብታ ሃገር ክጸንሑ ከም ዝኽእሉ ተዛሪቡ።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58278287"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን፡ ፌስቡክ ምስ ጣሊባን ምትእስሳር ዘለዎ ትሕዝቶ ምእጋዱ ኣፍሊጡ","content":"ጣሊባን፡ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ምዃኑ ዝገልጽ ትካል ፌስቡክ፡ ንጣሊባንን ንዕኡ ዝድግፉ ትሕዝቶታትን ኣብ መድረኹ ከም ዝኣገደ ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ነቲ ስራሕ ዝተዳለው ኣፍጋናውያን ሰራሕተኛታቱ ንዝልጠፍ ትሕዝቶታት ክከታተሉን ምስቲ ጉጅለ ምትእስሳር ንዘለዎም ክድምስሱን ምዃኖም ሓቢሩ። ጣሊባን መልእኽትታቱ ናብ መላእ ዓለም ንምዝርጋሕ ንዓመታት ማሕበራዊ መራኸቢታት ክጥቀም ጸኒሑ እዩ። ኣብ ሓጺር ግዜ ንኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምቁጽጻሩ ግና ትካላት ቴክኖሎጂ ነቲ ምስቲ ጉጅለ ምትእስሳር ንዘለዎ ትሕዝቶ ብኸመይ ክሕዙ ከም ዘለዎም ሓድሽ ብድሆ ኮይንዎም ኣሎ። ኣፈኛ ፌስቡክ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ \"ብመሰረት ሕጊ ኣመሪካ፡ ጣሊባን እገዳ ዝተነብረሉ ግብረሽበራዊ ውድብ እዩ፤ ንሕና ድማ ብመሰረት ፖሊሲ ሓደገኛ ውድባት ካብ ኣገልግሎታትና ኣጊድናዮም ኣሎና። እዚ ማለት ብጣሊባን ወይ'ውን ንዕኡ ብዝውክሉ ኣካላት ዝካየድ ገጻት ንኣልዮ፡ ንዕኡ ዝምጉሱን ዝድግፉን ትሕዝቶታት ንኽልክል\" ኢሉ። ፖሊሲታት ፌስቡክ ንኹሎም ኣብ ትሕቲኡ ዝርከቡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ማለት ኢንስታግራምን ዋትስኣፕን ዘጠቓልል ምዃኑ'ውን ኣብሪሁ። እንተኾነ፡ ጣሊባን ንዝተፈላለዩ ርክባቱ ዋትስኣፕ ከም ዝጥቀም ይግለጽ። ካልኦት መድረኻት ማሕበራዊ መራኸቢ'ውን ምስ ጣሊባን ምትእስሳር ንዘለዎም ትሕዝቶታት ብኸመይ ከም ዝኣልይዎ ቍጽጽር ይግበረሎም ኣሎ። ኣፈኛታት እቲ ጉጅለ ብመገዲ ትዊተር ኣቢሉ ንከተማ ካቡል ከም ዝተቖጻጸሩ ገሊጹ ነይሩ። ትካል ትዊተር ኣብዚ ጉዳይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ትዊተር ዝኾነ ንግብረሽበራን መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዘተባብዕ ጉጅለ ከም ዘየፍቅድ ገሊጹ። ብኣልፋቤት ዝውነን ዩትዩብ ግና ነቲ ኣብ ልዕሊ ጣሊባን ዘለዎ ፖሊሲ ኣመልኪቱ ብቢቢሲ ዝቐረበሉ ሕቶ ምላሽ ኣይሃበን።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58241513"} {"headline":"መራሒ ጣሊባን መን’ዩ? ቅርጺ መሪሕነት ጣሊባንከ ከመይ እዩ?","content":"ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሎቲካዊ ቤት ጽሕፈት ጣሊባን ሙላህ ባራዳር፡ ምስ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ናብ ዞባ ካንዳሃር ናይ ኣፍጋኒስታን ኣትዩ ኣሎ። ባራዳር ሓደ ካብ መስረትቲ ጣሊባን ኮይኑ ሓደ ካብ ኣዝዮም ጸለውቲ መራሕቲ ጣሊባን እዩ። እቶም መራሕቲ ካበይ ነቒሎም ናብ ኣፍጋኒስታን ከምዝኣተዉ'ኳ እንተዘይተፈለጠ፡ ሙላህ ባራዳር ዝርከቦም ገለ መራሕቲ ጣሊባን ኣብታ ምስ ኣመሪካ ዝዛተዩላ ዝነበሩ ከቴማ ዶሓ ናይ ቐጠር ክነብሩ ምጽንሖም'ዩ ዝግለጽ። ፕረዚደንት ኣሸራፍ ጋኒ ካብ ሃገሩ ምስ ሃደመ መንግስቲ እታ ሃገር መሓውር ኣልቦ ኮይኑ፡ ጣሊባን ኸኣ ንመላእ እታ ሃገር ተቋጻጺርዋ። ንምዃኑ ንጣሊባን መን'ዩ ዝመርሖም ዘሎ? ሃባቱላህ ኣካንድዛዳ፡ ነቲ ብኣመሪካ ዝተቐተለ ኣክታር ሞንሱር ተኪኡ 25 ግንቦት 2016 እዩ ላዕለዋይ መራሒ ጣሊባን ኮይኑ። ኣብ 1980ታት ኣብቲ ኣንጻር ሕብረት ሶቭይየት ዝካየድ ዝነበረ ኣስላማዊ ተቃውሞታት ተሳቲፉ፡ እንተኾነ ሃባቱላህ ካብ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ናብ ሃይማኖታዊ መራሒ ዝቐረበ ኣካይዳ እዩ ዘለዎ። ሃባቱላህ ኣብ 1990ታት እውን ከም ላዕለዋይ ሓላፊ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ ኮይኑ ሰሪሑ እዩ። ጣሊባን ኣብ 1990ታት ስልጣን ምስ ሓዙ፡ ብመሰረት እስላማዊ ሕጋጋት ነቲ ኣብ ንዝሰረቑን ሰብ ንዝዘመዉ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክስይፉ ጀሚሮም፡ ንሰረቕቲ'ውን ከንፈሮም ክቆርጸዎም ጀሚሮም። ጣልባን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሞላህ መሓመድ ዑመር [ኣብ 2013 ሞይቱ ተባሂሉ እዩ ዝእመን] እንከለዉ ሰብ ተለቪዥን ከይርኡ፡ ደርፊ ከይሰምዕ፡ መመላኽዒ ከይጥቐም ከምኡ'ውን ልዕሊ 10 ዓመት ዝዕድሚኤን ደቂ ኣንስትዮ ናብ ትምህርረቲ ከይከዳ ከልኪሎም። ሃባቱላህ ዕድሙኡ ኣብ 60ታት ከምዝርከብ እዩ ዝገመት፡ ዝበዝሐ ህይወቱ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ኣፍጋኒስታን እዩ ኣሕሊፍዎ። ምስቶም ኣብ ፓኪስታን ዝመደበሮም ቓጣ ሹራ [ሹራ ሓንቲ ካብ ከተማታት ፓኪስታን እያ] ተናሂሎም ዝጽውዑ ኣባላት ጣሊባን ጥቡቕ ርክብ ከምዘለዎ ይእመን። ሃባቱላህ ከም ላዕለዋይ ሓላፊ ጣሊባን መጠን ፖሎቲካዊ፤ ወተሃደራውን ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ኣብ ትሕቲኡ እዩ። ሙላህ ዓብዱል ጋኒ ባራዳር ሓደ ካብቶም ንጣሊባን ኣብ 1994 ዝመስርቱ ኣርባዕተ ሰባት እዩ። ጣሊባን ኣብ 2001 ብኣመሪካ ብዝምራሕ ኪዳን ሓይልታት ምስ ተሰዓር ክድለ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ለካቲት 2010 ኣብ ፓኪስታን ከተማ ካራቺ ብልፍንታዊ ሓይልታት ኣመሪካን ፓኪስታንን ተታሒዙ። ንሸሞንተ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሕ ብመሰረት ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ሰላም ኣብ 2018 ተፈቲሑ ካብ ጥሪ 2019 ጀሚሩ ኸኣ ላዕለዋይ ፖሎቲካዊ ሓላፊ ጣሊባን ኣብ ቀጠር ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ጣሊባን ኮይኑ ክሰርሕ ጀሚሩ። ባራዳር ኣብ 2020 ናይ መጀመርታ ንጣሊባን ወኪሉ ምስ ዶናልድ ትራምፕ [ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝነበረ] ብቴሊፎንን ብኣካልን ክራኽብ ዝኸኣል እዩ። ኣብዚ እኣን ኣብዱል ጋኒ ባርዳር ቀንዲ ፖሎቲካዊ መራሒ ጣሊባን እዩ። ሞሓመድ ያቖብ ወዱ ንሓደ ካብ መስረትቲ ጣሊባን ዝኾነ ሙላህ ሞሓመሰድ ዑመር እዩ። ዕድሚኡ ኣብ መጀመርታ 30ታት ከምዝርከብ ዝእመን ሞሓመድ ያቖብ ቀንዲ ሓላፊ ወተሃደራዊ ስርሒታት ጣሊባን እዩ።ኣብ 2016 ላዕለዋይ ሓላፊ ጣሊባን ኣክታር ሞንሱር ሞተ፡ ብዙሓት ኣባላት ጣሊባን ሞሓመድ ያቖብ ላዕለዋይ ሓላፊ ጣሊባን ክኸውን ሕቶ ኣቕሪቦም ነይሮም'ዮም፡ ዕድሚኡ ንእሽተይ ስለዝነበተን ተመክሮ ናይ መሪሕነት ስለዘይነበሮን ግን ላዕላጥ ሓላፊ ጣሊባን ክኸውን ከምዘይክእል ካልኦት ሞጕቶም። ብመሰርት ማዕከናት ዜና ኣፍጋኒስታን ዝህብኦ ሓበሬታ መሓመድ ያቖብ ኣብ ኣፍጋኒስታን እዩ ዝነብር። ሲራጁዲን ሃቓኒ ሓደ ካብ ላዕለዎት ምክልትል ሓላፊ ጣሊባን እዩ። ድሕሪ ሞት ኣቡኡ ጃላዱን ሃቓኒ፡ ሓላፊ 'ሃቓኒ ኔትዎርክ' ኮይኑ ተመዚዙ። ሃቓኒ ኔትዎርክ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምዕራባውያን ሃገራትን ሰራዊት ኣፍጋኒስታንን መጥቃዕትታት ዝነድፍን ዘካይድን ጉጅለ'ዩ። ሃቓኒ ኔትዎር ሕጂ'ውን እንተኾነ ኣብቲ ዞባ እቲ ዝሓየለን ኣዝዩ ዝተፈርሐን መተሃደራዊ ጉጅለ እዩ። ገለ ገለ'ውን ልዕሊ ኣይኤስ [ኢስላሚክ ስቴት] ኣብ ኣፍጋኒስታን ጽልዋ ከምዘለዎ'ዮም ዝማጎቱ። እቲ ጉጅለ ንናይ ጣሊባን ፋይናንሳዊ ንጥፈታትን ኣብ ዶብ ፓኪስታንን ኣፍጋኒስታንን ዝርከብ ወተሃገራዊ ንብረትን ዝቆጻጸር ኮይኑ ብኣመሪካ ኣብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ዝሰፈረ እዩ። ሲራጁዲን ሃቓኒ ዕድሚኡ ኣብ ከባቢ 45 ዝግመት ኮይኑ ኣብዘይ ከምዝርከብን ከምዝነብርን ኣይፍለጥን'ዩ። ኣብ መስከረም 2020፡ ጣሊባን ንዓብዱል ሓኪም ከም ላዕላዋይ ተዛታዪ ጣሊባን ኣብ ዶሓ ገይሩ መዚዝዎ። እዚ ዕድሚኡ ኣብ ከባቢ 60ታት ከምዝኾነ ዝእመን ዓብዱል ሓኪም፡ ኣብ ፓኪስታን ቤት ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ ዘለዎ እዩ፡ ኣብ ፓኪስታን ኮይኑ ኸኣ ንፍርዳዊ መስርሓት ጣሊባን ይከታተልን ይቆጻጸርን። ብዙሓት ላዕለዎት ሓለፍቲ ጣሊባን ኣብ ቓጣ [ፓኪስታን] ስደተኛታት ኮይኖም እናነበሩ ንጣሊባን ከምዝመርሕዎ እዩ ዝንገር። መንግስቲ ፓኪስታን ግን ኣብ ሃገሩ 'ቓጣ ሹራ' ዝብሃል ጉጅል ጣሊባን ከምዘየለ'ዩ ዝማጎት። ዓብዱል ሓኪም ብተወሳኺ ላዕለዋይ ሓላፊ ሓላፉ ቤት ምኽሪ ሃይማኖታውያን ምሁራት እዩ።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58240522"} {"headline":"ፈጣሪስ ይቕረ’ዶ ይብለለይ ይኸውን? ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ ሰባት","content":"ነቲ ምስጢራዊ ጉዕዞ ንምጅማር ናብ ጃልባ ቅድሚ ምስቓሉ፡ ሻፊዩላሕ (Shafiullah) ኣብ ኣፍጋኒስታን ናብ ዝርከቡ ስድርኡ ደዊሉ፡ ደሓን ምህላውን ናብ ቱርኪ ይነቅል ከም ዘሎን ነጊርዎም። ሽዑ ወዲ 16 ዓመት ዝነበረ ሻፊዩላሕ ናብ ጃልባ ደዪቡ። ንሱ ኣብታ ምሸት ኣብታ ጃልባ ካብ ዝነበሩ 100 ተጉዓዝቲ ክኸውን እንከሎ፤ ካብቶም ዝሓሸ ህይወት ንምርካብ ወርሓዊ ካብ ኣፍጋኒስታን ሃዲሞም ናብ ኣውሮጳ ዘምርሑ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት እዩ። ሻፊዩላሕ ኣብ ቱርኪ ኣትዩ እዩ ነይሩ፤ ግና እቶም ናብ ርእሰ ከተማ ቱርኪ ኢስታንቡል ከብጽሕዎ ዝተወዓዓሎም ኣሰጋገርቲ ፖሊስ ምእንቲ ከይርክቦም፡ ብቀላይ ቫን (Van) ክሰግሩ እዮም መሪጾም። ማያት እቲ ቀላይ ሓደገኛ እኳ እንተኾነ እቶም ሰምሰርቲ ብለይቲ ክሰግርዎ ተበጊሶም። እታ 32 ኣፍጋናውያን፡ ሸውዓተ ፓኪስታናውያንን ሓደ ኢራናውን ዝርከብዎም ተጉዓዝቲ ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ማእከል እቲ ቀላይ ጥሒላ። 61 ኣስከሬናት እኳ እንተተረኽበ፡ ሻፊዩላሕ ዝርከቦም ብዙሓት ጠፊኦም። ገለ ሬሳታት ኣብ ዓሚቚ እቲ ቀላይ ክህልው ከም ዝኽእልን ምውጽኡ ኣጸጋሚ ምዃኑን ሰብ መዚ ቱርኪ ንቢቢሲ ነጊሮም። ሻፊዩላሕ ንዝርከቦም ኣርባዕተ ካብቶም ዝጠፍኡ ዘበገሰ ኣብ ካቡል ዝርከብ ኣሰጋጋሪ እዩ። ቢቢሲ ዘዘራረቦ እቲ ኣሰጋጋሪ መንነቱ እንተተዓቂብሉ ክዛረብ ፍቓደኛ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። ኤልሃም ኑር (ቅኑዕ ስሙ ኣይኮነን) ምስ ካልኦት ገበነኛታት ድልዱል ርክብ ከም ዘለዎን ንብዙሓት ሰባት ናብ ጥልያን፡ ፈረንሳን ብሪጣንያን ከም ዝለኣኸ ይነግር። \"ምስግጋር ሰባት ብውልቅኻ እትሰርሖ ኣይኮነን፡ ዓቢይ መርበብ እዩ\" ይብል። እንተኾነ ግና ኑር ምስቶም ስደተኛታት ኣይጓዓዝን እዩ። \"ኩሉ ብቴለፎን እዩ ዝውዳእ\" ይብል። ዓማዊል ኑር ብዙሓት እዮም። ብዙሓት ኣፍጋናውያን ካብ ሃገሮም ክወጽኡ ይደልዩ እዮም። ኣፍጋኒስታን ሓንቲ ካብ ድኻታት ሃገራት ዓለም ኮይና፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ብዝዘለቐ ኲናት በሪሳ እያ። 2.7 ሚልዮን ኣፍጋናውያን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ተሰዲዶም ከም ዝርከቡ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይሕብር። በዚ ድማ ኣፍጋኒስታን ድሕሪ ሶርያን፡ ቬነዝወላን ብብዝሒ ስዱዳት ኣብ ቅድሚት እትጥቀስ ሃገር ኮይና ኣላ። ናብ ኣውሮጳ ክኣትው ዝደልዩ ኣፍጋናውያን ንኻልኦት ከምኡ ዝገበረ ኣስጋሪ እዮም ዝደልዩ። እንተኾነ ግና ካብቶም ናብ ኣውሮጳ ንምእታው ዝፍትኑ ሒደት እዮም ኣብ ናይ ፈለማ ፈተነ ዝሰልጦም። ኣብ መገዲ ዝጠፍኡ'ውን ብዙሓት እዮም። እቲ መገዲ ሓደገኛ ክኸውን ከም ዝኽእል ይፈልጥ ምንባሩ ዝገልጽ ሓወቦ ሻፊዩላሕ ዝኾነ ሸር ኣፍዛል \"እዚ ክመጽእ ግና ኣይተጸበናን\" ይብል። ኣፍዛል ኣብ ሓዘን እኳ እንተ'ሎ ርጉጽ ዝኾነ ደሃይ ሻፊዩላሕ ብዘይምርካቡ ፍርቂ ልቡ እዩ። ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ጃላላባድ ዝርከቡ ስድርኡ፡ ንሻፊዩላሕ ክሓዝኑ እኳ እንተደለዩ ኣስከሬኑ ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ናይቶም ኣስከሬናቶም ዝተረኽበ ክልተ ስደተኛታት ስርዓት ተፈጺሙ እዩ። \"ኣስከሬኑ ክንርኢ ኢና እንደሊ። ብህይወት ክህልው ኣይንጽበይን ኢና\" ይብል ኣፍዛል። ኣብ ጃላላባድ ተስፋ ዝሰኣነ ሻፊዩላሕ ንኑር 1,000 ዶላር ዕርቡን ብምኽፋል እዩ ናብ ጥልያን ተበጊሱ። ምስ ካልኦት ስደተኛታት ብምዃን ብንኣሽቱን ናይ ጽዕነትን መካይን ኣብ ገለ እዋን'ውን ብእግሪ እዮም ተጓዒዞም። ሻፊዩላሕ ኢራን ሰጊሩ ቱርኪ እኳ እንተበጽሐ ጉዕዞኡ ኣብ ቀላይ ቫን ኣኽቲሙ። ኑር (ኣስጋራይ) ነቲ ዝተቐበሎ ገንዘብ ንስድራ ሻፊዩላሕን ካልኦት በቲ ሓደጋ ህይወቶም ዝተቖጸየን፡ ከም ዝመለሰ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ስድራ ሻፊዩላሕ'ውን እቲ ገንዘብ ከም እተመለሰሎም ኣረጋጊጾም። ናብ ጥልያን ንምብጻሕ 8,500 ዶላር እቲ ሓደጋ፡ ብዛዕባ ምስግጋር ሰባት ንዘለዎ ሻቕሎት ከም ዝወሰኸሉ ኑር ይዛረብ። ነገራት ክበላሾ እንከሎ ዋጋ ደቂ-ሰባት ዓቢ ከምዝኾነን ከም ዝርድኦን'ዩ ዝገልጽ። እንተኾነ ግና ዘኽስብ ንግዲ እዩ፤ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ክተቋርጾ ቀሊል ኣይኮነን። \"ካብ ኣፍጋኒስታን ናብ ቱርኪ 1,000 ዶላር ኢና እንኽፍል\" ይብል ኑር፤ \"ካብ ቱርኪ ናብ ሰርቢያ 4,000፡ ካብኡ ናብ ጥልያን ድማ ተወሳኺ 3,500 ዶላር። ከሉ ሙሉእ 8,500 ዶላር እዩ።\" ኑር፡ ናብ ጥልያን ካብ ዘብጽሖ ነፍሲ ወከፍ ስደተኛ ካብ 3,000 ክሳብ 3,500 ዶላር ዝኸውን ኣታዊ ይረክብ። እቲ ኑር ክገብሮ ዝግብኦ ስራሕ ድማ ቴለፎን ምቕባል፡ ገንዘብ ምዝውዋርን ንሰብ መዚ ኣፍጋኒስታን ጉቦ ምሃብን ጥራይ እዩ። ንዝኾነ ዘይፈልጦን ዘመድ ወይ መሓዛ ንዘይኮነ ሰብ፡ ብኣካል ኣይረክብን እዩ። ብፍላይ ብደረጃ ኣፍጋኒስታን ምቹእ ህይወት እዩ። ብዘይ ሕጋዊ ወረቓቕቲ ዝጉዓዙ ስደተኛታት ሽግር ከጋጥሞም ከም ዝኽእል ኑር ይፈልጥ እዩ። ቀትሪ ተሓቢኦም ብለይቲ ውሑስ ናብ ዝኾነ ኣብ ቴህራን፡ ቫንን ኢስታንቡልን ዝኣመሰሉ ከተማታት ናብ ዝርከብ ኣባይቲ ከም ዝጉዓዙ ኑር ይገልጽ። ስደተኛታት፡ ንሰረቕቲ ክስሕብ ዝኽእል፡ ከም ወርቂ ዝኣመሰለ ክቡር ስልማትን ናይ ኢድ ሰዓትን ከይገብሩ ይንገሮም። ልዕሊ 100 ዶላር'ውን ከይሕዙ ከም ዝሕብሮም ኑር ይዛረብ። ካብ ኣፍጋኒስታን ናብታ ቀንዲ መዋፈሪ ናብ ኣውሮጳ ዝኣትው ስደተኛታት ዝኾነት ቱርኪ ንምብጻሕ ካብ ሓደ ሰሙን ክሳብ ኣዋርሕ ክወስድ ይኽእል። ብዙሕ ግዜ ስደተኛታት ነቲ ብቱርኪ ናብ ግሪኽ ዝወስድ መገዲ እዮም ዝመርጹ። ትካል ዶባት ኣውሮጳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2020 ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ኣዋርሕ ልዕሊ 17 ሽሕ ሰባት ናብ ኣውሮጳ ከም ዝሰገሩ ይግምት። ኣባል ሰራዊት ኣፍጋን ዝነበረ 'ሃዝራት ሻሕ' ሓደ ካብቶም ብኢስታንቡል ሓሊፎም ናብ ሃገራት ምዕራብ ዝበጽሑ እዩ። ንሱ፡ መበቆል ዓዱ ኣብ ቁጽጽር ጣሊባን ምስ ኣተወት ኣብ ልዕሊ ስድራቤቱ ክበጽሕ ዝኽእል ሕነ ብምፍራሕ ካብ ሃገሩ ሃዲሙ። \"ናብ ዶብ ቱርክን ኢራንን ድሕሪ ምብጻሕ፡ ኢስታንቡል ክንኣቱ ከባቢ ሓደ ወርሒ ወሲዱልና. . . ዶብ ክሰግር ኣብ ዝፈተንኩሉ ፖሊስ ሃሪሞምኒ እዮም\" ኢሉ። ሻሕ ጥልያን ክበጽሕ እዩ ድላዩ፤ ግና ርግጸኛ ኣይኮነን። ኣብ ኣፍጋኒስታን ናብ ዝርከቡ ኣሰጋገርቲ'ውን ክድውል ኣይደልን እዩ። ብዙሕ ክሕግዝዎ ከም ዘይኽእሉ ይዛረብ። \"ክትመውት፡ ክትጭወ፡ ክትጉዳእ ትኽእል ኢኻ። ወላ ሓደ ዝሕግዘካ የሎን። እቶም ኣሰጋገርቲ'ውን ፖሊስ ስለዝፈርሑ ክሕግዙኻ ኣይኽእሉን እዮም\" ይብል ሻሕ። እኹል መግብን ማይን የሎን። ሰባት ብጥምየት ክሞቱ እንከለው ርእዩ ኣሎ። ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ከም ዝሕብር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከባቢ 1,000 ሰባት ንማእከላይ ባሕሪ ከቋርጹ ኣብ ዝፈተንሉ ሞይቶም እዮም። ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ሓንቲ ጃልባ ተጻዒኖም ኣብ ዝጓዓዝሉ ሓደጋ የጋጥሞም እዩ። ኑር'ውን ኣብ ሓደ እዋን ስደተኛ እዩ ነይሩ። ወዲ 14 ዓመት እንከሎ ኣብ ብሪጣንያ ዝሓሸ ህይወት ንምንባር ብዝነበሮ ሕልሚ ኣብኡ 5000 ዶላር ንኣሰጋገርቲ ብምኽፋል ኣፋኒይዎ እዩ። \"ክብደት እቲ ዝኸድክዎ መገዲ ክሳዕ ሕጂ ካብ ኣእምሮይ ኣይሃሰሰን። ብፍላይ ኣብ ቡልጋርያ ኣብ ትሕቲ ባቡራት ሓቢኦምና፤ ካብ ትጉዓዝ ዝነበረት ባቡር'ውን ክንዘልል ተገደድና ኢና\" ይብል ኑር። ኣብ ካሊስ(Calais)፡ ኑር ንነፍሲወከፍ ዘምጽኦ ስደተኛ 100 ዩሮ በቶም ኣሰጋገርቲ ይወሃብ ነይሩ። በዚ ኣቢሉ እዩ ናብቲ ስራሕ ናይ ምስግጋር ሰባት ኣትዩ። ኑር ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ብሪጣንያ በጺሑ ምስቶም ኣሰጋገርቲ ስራሕ ቀጺልዎ። ወዲ 21 ዓመት ምስ ኮነ ግና ፖሊስ ይደልይዎ ከም ዘለው ምስ ፈለጠ ናብ ኣፍጋኒስታን ከም ዝተመለሰ ይነግር። እቶም ብመገዲ መርበብ ኑር ናብ ኣውሮጳ ክበጽሑ ዝኸኣሉ ስደተኛታት ብዛዕብኡ ንኻልኦት ስለዝነግሩ፡ ተፈላጥነት እናረኸበ መጺኡ። \"ወላ'ኳ ስግኣታት እንተ'ለዎም፡ ሰባት ሕጂ'ውን ካብዚ ሃገር ከውጽኦም ይሓቱኒ እዮም\" ይብል። ከባቢ 100 ዝኾኑ ዘበገሶም ተጉዓዝቲ ናብ ኣውሮጳ ኣብ መገዲ ከም ዘለው ዝገልጽ። ብድሕሪኦም ካልኦት ከም ዘየበግስ ኣትሪሩ ይዛረብ። ብሓደጋ ጃልባ ሻፊዩላሕ ከም ዘጉሃዮ ዝገልጽ ኑር ነቲ ስራሕ ይሓድጎ ከም ዘሎ ይሕብር። \"ንስድራቤቶም ብተደጋጋሚ ይቕሬታ ሓቲተ እየ። ኣብ መገዲ ዝኾነ ነገር ከጋጥም ከም ዝኽእል ብንጹር ነጊረዮም እየ፤ ነዚ ተቐቢሎምዎ እዮም። ኣምላኽ ይቕረ ክብለለይን ከይብለለይን ግና ናብኡ ዝግደፍ እዩ\" ኢሉ። ካልእ ንኑር ዝፈልጥ ኣሰጋጋሪ ግና ነቲ ስራሕ ከቋርጾ ከቢድ ምዃኑ ተዛሪቡ። \"ሰባት ንዓመታት ክድውሉሉ ክቕጽሉ እዮም፡ ኣቋሪጸ ስለዝበልካ ጥራይ ትገድፎ ኣይኮነን\" ይብል እቲ ኣሰጋጋሪ። ኑር የቋርጾ ኣየቋርጾ፡ ሰባት ምስግጋር ክቕጽል እዩ። ብዙሓት ኣሽሓት ተስፋ ዝቖረጹ ኣፍጋናውያን ዝሓሸን ውሑሱን ህይወት ከናድዩ እዮም። ሻፊዩላሕ ዝነበራ ጃልባ ድሕሪ ምጥሓላ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ክልተ ኣዝማዱ ክሳዕ ቱርኪ በጺሖም። እንተኾነ ግና ናብ ዓዶም ተሰጒጎም። ኣብ ዝቕጽል ክረምቲ፡ ኩነታት ኣየር ምስ ተመሓየሸ ደጊሞም ይፍትኑ ይኾኑ።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55963584"} {"headline":"ኣውስትራልያ ወታሃደራታ ኣብ ኣፍጋኒስታን ሰላማውያን ሰባት ከምዝቐተሉ ኣፍሊጣ","content":"ፍሉይ ሓይልታት ኣውስትራልያ፡ ኣብ ልዕሊ 39 ሰባት ዘይሕጋዊ ቅትለት ከምዝፈጸሙ ዘርኢ ''ጭቡጥ መረዳእታ'' ከምዝተረኸበ ተገሊጹ፡፡ ምኒስተሪ ምክልኻል ኣውስትራልያ ንዘይ ስነ ምግባራዊ ተግባራት ሓይልታቱ ብዝምልከት ንኣርባዕተ ዓመታት ከካይዶ ዝጸንሐ ምርመራ ዕላዊ ገይሩዎ ኣሎ። እቲ 59 ፍጻመታት ዝረኣየ መርመራ ናይ ልዕሊ 300 መሰኻኽር ዓይኒ ሰሚዑ፡፡ ሓላፊ ምክልኻል ኣወስትራልያ ጀነራል ኣንገስ ካምቤል ብገለ ወተሃደራት ዝተፈጸመ ''ዘሕፍር ተግባር'' ከምዝተቓለዐ ተዛሪቡ፡፡ በቲ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ካብ 2009 ክሳብ 2013፡ ኣብ ልዕሊ ''እሱራት፣ ሓረስቶት ወይ ሰላማውያን ሰባት'' ዝተፈጸመ ቅትለት 19 ወታሃደራት ብፖሊስ ክሕተቱ ከምዘለዎም እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ፡፡ ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ኣፍጋኒስታን፡ ኣውስትራልያ፡ ''ፍትሒ ንምርግጋጽ'' ውፉይቲ ምዃና ከምዘረጋገጸትላ ኣፍሊጣ ኣላ፡፡ ትሕዝቶ እቲ ምርመራ ጸብጻብ እቲ ምርመራ 25 ወተሃደራት ኣውስትራልያ ወይ ወተሃደራት ዝነበሩ፡ ገበን ከምዝፈጸሙ ወይ ክፍጸም ከምዝተሓባበሩ የመልክት፡፡ ዝበዝሕ ክስታት ድማ ናብ ኣብ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣየር ዘተኮረ እዩ፡፡ እቶም ናይ ክሲ ቅትለታት '' ኣብ ርሱን ዓውደ ኲናት ዝተፈጸሙ ተባሂሎም ዝግለጹ'' ከምዘይኮኑ ዝዛረብ ጀነራል ካምቤል፡ እቶም ገበን ፈጺሞም ዝተባህሉ ሰባት ተደናጊሮም ጌጋ ክፍጽሙሉ ኣብ ዝኽእልሉ ኩነታት ከምዘይነበሩ ተዛሪቡ፡፡ ''ኣብቲ ምርመራ ዝቐረቡ ሰባት ድማ፡ ናይ ኲናት ሕግን ኣብቲ ዝፍጽምዎ ዕማም ክፍጽምዎ ዝግባእ ተግባር ብደቒቕ ዝፈልጡን እዮም'' ኢሉ፡፡ ብተወሳኺ፡ እቲ ጀነራል፡ እቶም ነቲ ተግባር ዝፈጸሙ ኣባላት፡ ገሊኦም ምኩራትን ጸለውትን መራሕቲ ምዃኖም እቲ ጸብጻብ ከምዘመልክት ኣረዲኡ። ሓደ ሓደ ሓደሽቲ ወተሃደራት ድማ፡ ሰብ ምቕታል ንክለማመዱ፡ ንሰላማውያን ሰባት ከምዝቐተሉ ኣመልኪቱ፡፡ ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ ጸብጻብ ዛጊድ ዕላዊ ኣይተገበረን፡፡ ግብረ መልሲ ኣወስትራልያ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ስኮት ሞሪሰን እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ ፍሉያ ሓይልታት '' ንኣውስትራልያውያን ከቢድ ዜና'' ከምዝሓዘ ኣጠንቂቑ ነይሩ፡፡ እቲ ውጽኢት ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ሓይሊ ምክልኻል ዘሎ ጉድለት ከምዘርኢ ተዛሪቡ፡፡ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣፍጋኒስታን ኣሽራፍ ጋኒ ድማ ስኮት ሞሪሰን ስልኪ ደዊሉ ብውጽኢት እቲ ምረመራ ዝተሰመዖ ''ዓሚቕ ሓዘን'' ከምዝገለጸ ሓቢሩ፡፡","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54997775"} {"headline":"ኣብ ኣፍጋኒስታን ቁጽሪ ብነፈርቲ ዝተቐትሉ ንጹሃን ዜጋታት ብ300 ሚኢታዊት ወሲኹ","content":"ኣብ ኣፍጋኒስታን ብኣመሪካን መሻርኽታን ካብ 2017 ጀሚሩ ብዝካየዱ ደብዳብ ነፈርቲ ህይወቶም ናይ ዝስእኑ ንጹሐን ዜጋተት ብዝሒ ብ330 ሚኢታዊት ሓፍ ከምዝበለ ሓደ ኣብ ኣመሪካዊ ትካል ዘካየዶ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ኣብ 2019 ጥራሕ፡ ኣስታት 700 ንጹሃን ከምዝተቐትሉ እቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብራውን ‘ዘ ኮስት ኦፍ ዋር ፕሮጀክት’ [ሳዕቤን’ቲ ኲናት] ብዝብል ዝካየድ መጽናዕቲ ኣፍሊጡ። ንመጥቃዕቲ 9\/11 ስዒቡ፡ ኣመሪካ ንኣፍጋኒስታን ካብ እትወራ ኣትሒዛ እዚ ቁጽሪ ዝለዓለ ከምዝኾነ እዩ ተገሊጹ። እቲ መጽናዕቲ ዘካይድ ጉጅለ፡.ኣመሪካ ኣብ 2017 እትኽተሎ ዝነበረት ሕጊ ኣላሕሊሓ እዩ ዝብል። ብኻሊእ ወገን፡ እቶም መጽናዕቲ ዘካይዱ ሰብ ሞያ፡ ኣብ ባይታ ቁጽሪ ወተሃደራት ስለዝነከየ እዩ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ወሲኹ ዝብሉ እንተኾኑ’ኳ፡ እቲ ዕላማ ተቓለስቲ ታሊባን ናብ ዘተ ንኽመጽኡ ጽዕንቶ ንምፍጣር ምዃኑ ይዛረቡ። ነቲ መጽናዕቲ ዘካይድ ጉጅለ፡ ኣመሪካን ታሊባንን ፈላማይ ስምምዕ ካብ ዝኣስሩ ንደሓር ኣፍጋኒስታን ንርእሳ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ውግእ ወሲኻ ከምዘላ እዩ ዝዝረብ። እቲ ኣብ ካቡል ዘሎ ማእኸላይ መንግስቲ ዛጊድ ምስቲ ጉጅለ ኣብ ዝርርብ እዩ ዝርክብ። እቲ መጽናዕቲ ዘካይድ ጉጅ'፡ ሓይሊ ኣየር ኣፍጋኒስታን ኣብ ታሪኽ እቲ ዘለዓለ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን የካይድ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ። ኣብ 2020 ናይ መጀመርታ 6 ኣዋርሕ ጥራሕ፡ 86 ሰላማዊ ሰባት ዝተቐተሉ ኮይኖም፡ 103 ድማ መቑሰልቲ በጺሕዎም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ትካል ‘ሴቭ ዘ ቺልድረን’፡ ን14 መዓልታት ዝኣክል መዓልታዊ 5 ህጻናት ይቕተሉ ወይ ከኣ ይጉድኡ ዝብል ጸብጻብ ኣውጺኡ ነይሩ። ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተረኽበ ሓበሬታ ድማ፡ ካብ 2005 ክሳብ 2019 ኣብ ዘሎ እዋን 26,025 ህጻናት ከምዝተቐትሉ የረድእ።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55228044"} {"headline":"ጓል ኣምባሳደር ኣፍጋኒታን ኣብ ፓኪስታን ተጨውያ ነይራ","content":"ጓል ንኣምባሳደር ኣፍጋኒስታን ኣብ ፓኪስታን መንነቶም ብዘይተፈልጡ ሰባት ተጨውያ ከምዝነበረት ሰብ ስልጣን እታ ሃገር ኣፍሊጦም። ሲልሲላ ኣሊኺል ትማሊ ዓርቢ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ፓኪስታን [ኢስላማባድ] ንገዛኣ እትጓዓዘሉ ካብ ዝነበረ መገዲ እያ ንነዊሕ ሰዓታት ተጠሊፋ ጸኒሓ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣፍጋኒስታን፡ እታ ጓል እቲ ኣምባሳደር ምሰተጨውየት ኣብ ሓደ ገዛ ተዓጽያ ትሳቐ ከምዝነበረት ገሊጹ። ርክብ ክልቲኤን ሃገራት፡ እናሓርፈፈ ካብ ዝመጽእ ጸኒሑ ኣሎ። ሰበ ስልጣን ፓኪስታን፡ እታ ጓል 20ታት ዝኾነት ሲልሲላ ኣሊኺል፡ ዕጡቓት ናብ’ታ ንሳ እትዝውራ ዝነበረት መኪና ኣትዮም ከምዘጋፍዕዋ ይዛረቡ። እታ ጓል’ቲ ኣምባሳደር ምስ ተሰደደት ድማ፡ ናብ ሆስፒታል ተወሲዳ ሕክምናዊ ረድኤት ተገይሩላ። ኣምባሳደር ናጂብ ኣሊኺል፡ ነቲ ተግባር ‘ኢ-ሰብኣዊ’ ኢሉ ዝኾነኖ ኮይኑ፡ ጓሉ ሕዚ ኣብ ደሓን ኩነታት ከምእትርከብ ገሊጹ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣፍጋኒስታን፡ በቲ ተግባር ዝተሰምዖ ሻቕሎት ብምግላጽ፡ ፓኪስታን ንውሑስነት ዲፕሎማሲኛታትን ስድረኦምን ብዕቱብ ከምዝሰርሕ ከረጋግጽ ከምዘለዎ ገሊጹ። ሕዚ ናይቲ ኣምባሳደር ጸጥታዊ ሓለዋታት ተጠናኺሩ ይርከብ- ኢሉ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፓኪስታን። ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን እቶም ነዚ ተግባር ዝፈጸሙ ዛጊድ መንነቶም ዘይተፈልጡ ሰባት፡ ብቕልጡፍ ኣብ ቀይዲ ክውዕሉ ከምዝኣዘዘ ድማ ሚኒስተር ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ ኣፍሊጡ። ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ኩነታት ጸጥታ ኣፍጋኒስታን እናተበላሸወ ዝመጸአ ኾይኑ፡ ኣብ መንጎ እተን ክልተ ጎሮባብቲ ሃገራት ዘሎ ድማ እናተበትዐ መጺኡ ኣሎ። መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ንመንግስቲ ፓኪስታን፡ ነቶም ተቓወምቲ መንግስቲ ዝኾኑ ዕጡቓት ጣሊባን ምቹእ ባይታ ይፈጥረሎም ኣሎ ኢሉ እዩ ዝኸስስ። ተዋጋእቲ ጣሊባን፡ ሕዚ ኣብታ ሃገር ሰፋሕቲ ቦታታት ኣብ ምቁጽጻር ዝርከቡ ኮይኖም፡ ብፍላይ ኣብ ዶባት ዝርከቡ ኣገደስቲ ከባቢታት ኣብ ኢዶም ኣእትዮም ከምዘለዉ ይዝረብ። ሓይልታት ጣሊባን፡ ኣመሪካ ወተሃደራታ ካብታ ሃገር ምስ ኣውጽኣት፡ ንሓይልታት ጸጥታ’ቲ መንግስቲ ብምድፋእ ቅልጡፍ ግስጋሰ ይገብሩ ከምዘለዉ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን ክሳብ መስከረም 11 ካብታ ሃገር ጠቕሊልካ ንምውጻእ እዩ ወጢኑ ዝሰርሕ ዘሎ። ከም በዓል እንግሊዝ ዝኣመሰላ፡ ካልኦት መሻርኽቲ ሃገራት ድማ፡ ካብ ኣመሪካ’ውን ቀዲመን ወተሃደራተን ከምዝሰሓባ እዩ ዝንገር። ፓኪስታን ብወገና፡ እቶም ተዋጋእቲ ሓይልታት ካብ ግዝኣት እታ ሃገር ተደኲኖም መጥቃዕታት ከብጽሑለይ ትፈቅድ ኣላ -ክትብል ትኸስስ ኣላ።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57878455"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ 11 ህጻናት ተቐቲሎም","content":"ኣብ ሰሜናዊ ኣፍጋኒስታን: ግዝኣት ታክሃር: ኣብ ሃይማታዊ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 12 ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉ ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ ገሊጾም፡፡ በቲ ኣብ ሃዛራ ቁርሉቅ ዝተባህለት ቁሸት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 11 ህጻናትን ናይ ጸሎት መራሒኦምን ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ተዛሪቦም፡፡ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ግን ኣብታ ገጸር 12 ዕጡቓት ጣሊባን ከምዝቐተለ እዩ ዝሕብር፡፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ዕጡቓት ጣሊባን ኣብታ ግዝኣት 30 ሓይሊታት ጸጥታ ድሕሪ ምቕታሎም እዩ ተፈጺሙ፡፡ ብተወሳኺ በቲ መጥቃዕቲ ካልኦት 14 ሰባት ከምዝቖሰሉ እቶም ኣመሓደርቲ ገሊጾም፡፡ በቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝቖሰሉ ሓደ ኢማም ናይታ ኣብቲ ሃይማታዊ ቤት ትምህርቲ እትርከብ መስጊድ ዓብዱል ኣዋል፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ እዋን፡ ንሱን ደቁን ጥራሕ ኣብቲ መስጊድ ከምዝነበሩ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡ ካብ ቀረባ እዋናት እናሓየለ ዝመጸ ጎንጺ መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ዕጡቓት ጣሊባንን፡ ነቲ ኣብ መንጎኦም ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም ከየተዓናቕፎ ተሰጊኡ ኣሎ፡፡ ኣብ ርእሰ ከተማ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመላ ግዝኣት ዘላ ሆስፒታል ዝርከቡ ሓካይም፡ መብዛሕትኦም ዝመጹዎም ግዳያት ህጻናት ከምዝኾኑ ገሊጾም፡፡ ነቲ ዝተጠቕሰ ጉድኣት ሰላማውያን ሰባት ሓቂ ከምዘይኮነ ዝገለጸ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን፡ እንተኾነ ዘጻሪ ጉጅለ ከምዘጣየሰ ሓቢሩ ኣሎ፡፡ ዕጡቓት ጠሊባን፡ ስምምዕ ሰላም ንምስላጥ ጎንጺ ከቋርጹ ንኣመሪካ ዝኣተዉዎ መብጽዓ ናብ ጎኒ ብምግዳፍ ነቲ ጎንጺ ከምዝጀመርዎ እዩ ዝግለጽ ዘሎ፡፡ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ኣብ ግዝኣት ደቡባዊ ሄልማንድ ብዝተወለዐ ጎንጺ ኣስታት 40 ሽሕ ሰላማውያን ካብ መበረቶም ከምዝተመዛበሉ ይግመት፡፡ ኣብዚ ዓመት ብዝተወለዐ ጎንጺ ልዕሊ 220 ሽሕ ኣፍጋናውያን ዝተመዛበሉ ኮይኖም፡ ካብ 2012 (ኣውሮጳ) ንድሓር ቁጽሪ ጠቕላላ ዝተዘናበሉ ኣፍጋናውያን ኣስታት 4.1 ሚልዮን ከምዝበጸሐ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ይገልጽ፡፡","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54649015"} {"headline":"ኣማኢት ኣፍጋናውያን ምስ ስድራቤቶም ናብ ብሪጣንያ ክግዕዙ እዮም","content":"መብዛሕትኦም ከም ተርጎምቲ ኮይኖም፡ ንመንግስቲ ብሪጣንያ ዝሰርሑ ዝነበሩ ልዕሊ 3 ሽሕ ኣፍጋናውያን ናብ ብሪጣንያ ክግዕዙ ምዃኖም ተገሊጹ። እቲ ውሳነ፡ ዓለምለኻውያን ወተሃደራት ካብ ኣፍጋኒስታን ጠቕሊሎም ንምውጻእ ኣብ ዝዳለውሉ እዋን ድሕነት እቶም ተርጎምቲ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ይኽእል እዩ ብዝብል ስግኣት እዩ። ቅድሚ ሕጂ ናብ ብሪጣንያ ዝገዓዙ 1300 ኣፍጋናውያን ክህልው እንከለው እዚኣቶም'ውን ምስ ኣባላት ስድራቤቶም ክጽምበርዎም ምዃኖም ተፈሊጡ። ጸሓፊ ሚኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ በን ዋላስ፡ ነቲ መስርሕ ምቅልጣፍ ኣድላዪ ምዃኑ ሓቢሩ። ንሱ ወሲኹ፡ እቶም ናብ ብሪጣንያ ዝግዕዙ ዘለው እቶም ጣሊባን ሕንሕነ ከውርደሎም ዝኽእል ምዃኖም ገሊጹ። መንግስቲ ብሪጣንያ እቲ ስጉምቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ንዘሎ ኩነታት ጸጥታ ተቐዪሩ ከም ዘሎ ንምንጽብራቕን ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ንመንግስትን ሰራዊትን ብሪጣንያ ዝሰርሑ ኣፍጋናውያን ሓደጋ ክወርዶም ከም ዝኽእል ኣፍልጦ ንምሃብን ዝተገብረ ምዃኑ ገሊጹ። እቲ ትልሚ ሚያዝያ 1 እዩ ዕላዊ ኮይኑ። ጸሓፊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ፕሪቲ ፓተል ነቲ ስጉምቲ \"ሞራላዊ ግዴታ\" ክብል ገሊጽዎ። መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ \"ወተሃደራዊ ሓይልታት ካብ ኣፍጋኒስታን ንምስሓብ ውሳነ ድሕሪ ምሕላፉ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ መስርሕ ንምቅልጣፍ\" ምስ ዝተፈላለዩ ዝምልከቶም ሚኒስትሪታት ከም እተዘራረበ ሓቢሩ። ዛጊት ክንደይ ዝኣክሉ ኣፍጋናውያን ናብ ብሪጣንያ ክግዕዙ ምዃኖም ንጹር እኳ እንተዘይኮነ፡ መንግስቲ ልዕሊ 3 ሽሕ ከም ዝጽበይ ይገልጽ። እንተኾነ ግና እቲ ትልሚ ንኹሎም ንብሪጣንያ ዝሰርሑ ኣፍጋናውያን ዝምልከት ከም ዘይኮነ ተፈሊጡ።","category":"ኣፍጋኒስታን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57304055"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን፡ ለገስቲ ትካላት ደስኪሉ ዝነበረ ገንዘብ ንረድኤት ኣፍጋኒስታን ከውዕልዎ’ዮም","content":"ዓለምለኻውያን ገበርቲ ሰናይ ትካላት ደስኪሉ ዝነበረ 280 ሚልዮን ዶላር ኣብ ኣፍጋኒስታን ንመግብን ጥዕናውን ሓገዛት ክውዕል ከምዝተሰማምዑ ባንኪ ዓለም ኣፍሊጡ። ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ጣሊባን ምስኣተወት ክወሃባ ዝጸንሐ ገንዘባዊ ሓገዛት ስለዝተቛረጸ እታ ሃገር ኣብ ከቢድ ሰብኣውን ቁጠባውን ቅልውላዋት ተሸሚማ ትርከብ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ኣፍጋኒስታን ርኡይ ጥምየት ኣንጸላልይዎ ከምዘሎ ሓቢሩ። 3 ሚልዮን ህጻናት ድማ ብዋሕዲ ዝተመጣጠነ መግቢ ይሳቐዩ ከምዘለዉ ተገሊጹ። እቲ ኩነታት ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ድርቅን ምዕራባውያን ንኣፍጋኒስታን ዝህብዎ ዝነበሩ ገንዘባዊ ሓገዝ ስለቋረጽዎ ኣብታ ሃገር ቁጠባዊ ቅልውላው ሰማይ ስለዝዓረገን’ዩ። ምዕራባውያን ሃገራት ንጣሊባን ከም መንግስቲ ከምዘይተቐበልዎ ብዕሊ ኣፍሊጦም’ዮም። ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ድማ ኣስታት 10 ቢልዮን ዶላር መሐለውታ ገንዘብ ኣፍጋኒስታን ዘደስከልዎ ኮይኖም ባንኪ ዓለምን ‘ኣይኤምኤፍን’ ኣፍጋኒስታን ምወላ እትረኽበሎም ዕድላት ገቲኦሞ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም 23 ሚልዮን ህዝቢ ኣፍጋኒስታን ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ ከምዘድልዮ ብምግላጽ “ኣብ ምድሪ እቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው” ኢሉ ገሊጽዎ። እቲ ካብ ባንኪ ዓለም ክልቀቕ ከምዝኾነ ዝተነገረሉ መጠን ገንዘብ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ናብ ዝኾኑ ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ዩኒሴፍን ክዛወር ምዃኑ ተሓቢሩ። ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ዩኒሴፍን ኣብ ኣፍጋኒስታን ናይ ሎጂስቲክስ ኮነ ሰራሕተኛታት ዓቕሚ ስለዘለዎም እቲ ገንዘብ ብናይ ባዕሎም መስርሕን ኣካይዳን ብቐጥታ ናብ ህዝቢ ኣፍጋኒስታን ከብጽሕዎ ከምዝኽእሉ ባንኪ ዓለም ገሊጹ። ዩኒሴፍ 100 ሚልዮን ዶላር ተቐቢሉ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ክነጥፍ’ዩ፤ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ከኣ 180 ሚልዮን ዶላር ክርከብ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59619637"} {"headline":"ቢቢሲ 100 ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ትግራይ ንግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ትሕግዝ ዘላ ነርስ","content":"ቢቢሲ ኣብዚ ዓመት እዚ [2021] ኣብ ሕብረተሰብን ባህልን ለውጢ ንምምጻእ እጃመን ዘበርክታ ካብ መላእ ዓለም ዝሓረየን 100 ጸለውትን ኣተባባዕትን ደቂ ኣንስትዮ ትማሊ ወግዓዊ ገይሩ'ሎ። ካብኣተን ብዕድመ ዝነኣሰት ተሸላሚት ኖቤል ሰላም ማላላ ዮሱፋዚ፣ ፈላሚት ቀዳመይቲ ሚኒስትር ሃገረ ሳሞኣ፡ ፊያሜ ናኦሚ ማታፋ፡ ከምኡ'ውን ህብብቲ ኣፍሪቃዊት ጸሓፊት ቺማማንዳ ንጎዚ ኣቺዴ ይርከብአን። ኣብዚ ዓመት'ዚ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋኒስታን ፍርቂ ዝርዝር ናይተን 100 ደቂ ኣንስትዮ ሒዘን ኣለዋ። ጉጅለ ጣሊባን ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2021 ነታ ሃገር ድሕሪ ምቁጽጻሩ ህይወት ሚሊዮናት ኣፍጋናውያን ክቕየር እንከሎ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ናብ ቤት ትምህርቲ ከይኸዳ ተኸልኪለን እየን። ብተወሳኺ ካብ መዝነት ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪታት ክኽልከላ እንከለዋ ኣብ ዝበዝሕ ከባቢ ናብ ስራሕ ከይመጽኣ ተነጊሩወን ። ስለ ዝኾነ ከኣ እዩ ናይ ሎሚ ለብዘበን ሕርያ 100 ደቂ ኣንስትዮ ቢቢሲ፡ ነተን ኣብ ከምዚ ዓይነት ጽንኩር ኩነታት ኮይነን ጽንዓትን ዓወትን ዘርኣያ ደቂ ኣንስትዮ ኣቓልቦ ገይሩ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝጀመረ ኲናት ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ንዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ሕክምናውን ስነ ልቦናውን ናብዮት ትህብ ዘላ ነርስ ሙሉ መስፍን ድማ ምስተን ቢቢሲ ዝሓረየን 100 ደቂ ኣንስትዮ ሰፊራ ኣላ። ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ንልዕሊ 10 ዓመታት ብሞያ ነርስ ከተገልግል ዝጸንሐት ነርስ ሙሉ መስፍን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብታ ከተማ ንግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ኣገልግሎት ሕክምና፡ ስነ ልቦናዊ ፡ንሰብ ሓዳር ኣብ ፍትሕ ንዘጋጥመን ጸገማት ምኽሪ ዝህብ ማእከል 'ዋን ስቶፕ ሴንተር' ትሰርሕ ዘላ በዓልቲ ሞያ እያ። ካብ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝበጽሕ ጾታዊ ዓመጽ ጠጠው ንክብል ጎስጓስ ጀሚራ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ዓሚ ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ንብዙሓት ግዳያት ዝተፈላለዩ ዓይነታት ጾታዊ ዓመጽ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮን ኣደታትን ሕክምናዊ ናብዮትን ስነ ልቦናዊ ሓገዛትን ክትህብ ብምጽንሓ እዩ፡ ቢቢሲ ኣብ ዝርዝር ናይተን 100 ደቂ ኣንስትዮ እዚ ዓመት'ዚ ኣስፊሩዋ ዘሎ። ኣብቲ ክልል፡ ቅድሚ ኲናት እውን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ጾታዊ ዓመጽ ምንባሩ እትዛረብ ነርስ ሙሉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተፈጸመ ግህሰት ግን ብዓይነትን ብዝሕን ዝተፈለየ ምዃኑ ትዛረብ። \"ቅድሚ እቲ ኲናት ሪፖርት እንገብሮ ውሑድ'ዩ ነይሩ። ንዓይ ዝኸበደኒ ግዜ ግን ካብቲ ኲናት ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ዘሎ'ዩ\" ትብል። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝወጽአ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኲናት ትግራይ ብዝተሳተፉ ኣካላት ተፈጺሞም ካብ ዝበሎም ግህሰታት፡ ጾታውን ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽን ይርከቦ። ነርስ ሙሉ ኣብ ትግራይ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ኮይነን ናብቲ ማእከል ዝመጽኣ ልዕሊ 800 ደቂ ኣንስትዮ ብመገዳ ከም ዝሓለፋ ትገልጽ። \"ክሳብ ሕዚ ካብ ዝመጽኣና ምስ ተዓመጻ ኣካለን ዝጎደለ፡ ኣብ ሰብነተን ኣሲድ ዝተደፍአ፣ ኣብ ማህጸነን ባዕዳዊ ነገር ዝኣተወን እየን ነይረን። በዚ ምኽንያት ስድራ ቤት ተጎዲኡ፣ [እተን ግዳያት] በዓል ቤተን ከይሰምዕ [ክብላ] ኣብ ሓዳር ክፍተት ተፈጢሩ'ዩ። እዚ ኹሉ ክሰምዕን ከተኣናግድን እየ ዝውዕል\" ትብል። እዚ፡ ኣብ ውልቃዊ ህይወታ ዓብዪ በሳላ ከም ዝገደፈን ንልዑል ስነ ልቦናዊ ቓንዛ ከም ዘቃልዓን ትዛረብ። \"ኹሉ ክትዛረቦ ከቢድ'ዩ፤ ግን ክሳብ ሕዚ ድቃስ ኣይፈልጥን። እቲ ዝበጽሐ ዓመጻት ርኢናዮ ዘይንፈልጥ ስለ ዝኾነ ኣብ ኣእምሮይ በሰላ ገዲፉለይ . . . ነብስና ወዲእና። ከም ቀደመይ ነቒሐ ነገራት ክዝክር ኣይክእልን\" ክትብል ጽልዋ እቲ እትህቦ ዘላ ኣገልግሎት ተብርህ። እቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዝገበረ ኲናት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምስ ለሓመ ምኽንያት ሞትን ምዝንባልን ሰላማውያን ሰባት ኮይኑ'ዩ። ንገለ ከባቢታት ኣምሓራን ዓፋርን ተቖጻጺሮም ዝጸንሑ ሓይልታት ትግራይ'ውን ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝፈጸሙን ኣብ ልዕሊ ንብረት ውልቀን መንግስትን ከቢድ ዕንወት ከም ዘብጽሑን መንግስቲ ይኸሶም። ንሳቶም ግን ሓይልታቶም ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ከም ዘየብጽሑን ንብረት ከም ዘየዕነውን ብምግላጽ ንዝቐርበሎም ክሲ ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረ እዮም ዝጠልቡ። ነርስ ሙሉ እንታይ ክልወጥ ትደሊ? ንሳ ኣብ ክሊ እቲ እትሓልፎ ዘላ ስንባደን ስነ ልቦናዊ ጸቕጥን ነተን ግዳያት እትህቦ ኣገልግሎት ጠጠው ከም ዘይተብል እያ ትገልጽ። ቢቢሲ ኣብ ዝቕጽል ዓመት [2022] ክልወጥ እትብህግዮ እንታይ ይኸውን ክብል ምስ ሓተታ፡ ሲስተር ሙሉ ቅድሚ ኩሉ ኵናትን ወረ ኵናትን ኣብቂዑ \"ሰላም\" ክኸውን እያ ተመንያ። ኣብ መላእ ዓለም ብቐንዱ ኲናት ጠጠው ክብልን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ጥቕዓት ንዝፍጽሙ ገበነኛታት ዝቐጽዕ ጽኑዕ ሕጊ ክህሉን ትብህግ። \"እዚ ኲናት [ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ] ኣብ ሞንጎ ፖለቲከኛታት ክኸውን ነይሩዎ፤ ግን ኣይኮነን። [እዚ ኵናት]ብዝኾነ ጎንጺ ጠጠው ክብል ኣለዎ። ህዝቢ ሰላም'ዩ ዝደሊ፤ ሃገራት [ከባብን ዓለምን] ኣብ ክንዲ ኣጽዋር ኣብ ምሽምጋልን ሰላምን ክሰርሓ እምነ\" ኢላ። ማሕበረሰብ ዓለም፡ እቶም ኣብ ኵናት ተጸሚዶም ዘለው ሓይልታትን ደገፍቶምን ተጻብኦታት ደው ከብሉን ፖለቲካዊ ዘተ ክጅምሩን ጻውዒት ከቕርብ እኳ እንተጸንሐ ክሳብ ሕጂ ዝተረኽበ ፍረ የሎን። ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንመንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ህወሓትን ንምዝርራብ ንፕሬዝደንት ናይጄሪያ ነበር ኦሊሶንጎን ኦባሳንጆ ፍሉይ ልኡኽ ምብራቕ ኣፍሪቃ ገይሩ ምስ ሾሞ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ክልተ ሳዕ ንትግራይ ብምኻድ ምስ መራሕቲ ህወሓት ተዘራሪቡ ነይሩ። እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ዝተራእየ ምዕባለ የለን። ኣፍጋኒስታናውያን ደቂ ኣንስትዮ ፍርቂ ዝርዝር፡ ሕርያ ቢቢሲ 100 ደቂ ኣንስትዮ ናይዚ ዓመት ሒዘን። እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ጣሊባን ምስ ወደቐት ሚሊዮናት ኣፍጋናውያን መጻኢኦም ዘይርጉጽ ኮይኑ። ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ነጻነት ኣፍጋናውያን ደቀ ንስትዮ ክቕንጠጥ'ዩ ዝብል ስግኣት ሓዲሩዎም። ቢቢሲ ፍርቂ ዝርዝር 100 ደቂ ኣንስትዮ እዚ ዓመት ኣብታ ሃገርን ካብታ ሃገር ወጻእን ንዘለዋ ዜጋታት ኣፍጋን ክኸውን ብምውሳን መብዛሕትአን ብኸመይ ካብ ህዝባዊ ቦታታት ከም ዝተኣለያን ድምጸን ከም ዝተዓፈናን ከርኢ ፈቲኑ እዩ። ተሞኩሮ እተን ደቀንስትዮ እንታይ ይመስል? ንዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ ሓደ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ተጠርኒፋ ክትጻወት ዝጸንሐት ሰሃር፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ኣፍጋኒስታን ኩዕሶ እግሪ ክጻወታ ዝደልያ እያ። ጣሊባን ግን ኣየፍቅድን እዩ። ኣብዚ ዓመት ጣሊባን ነታ ሃገር ምስ ተቖጻጸራ፡ ምስ ስድርኣ ናብ ካልእ ሃገር ቅድሚ ምውጽኦም ክትሕባእ ተገዲዳ ። ድሕነት ከምአን ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ድማ የጨንቃ። \"ትምህርተይ ክቕጽልን ሕልምታተይ ኣግሂደ ገዛእ ርእሰይን ቤተሰበይን ዝሕበኑለይ ሰብ ክኸውን ይደሊ። ጓል ኣንስተይቲ ኩዕሶ ክትጻወት ኣይትክእልንያ ንከይበሃልን ዕውትቲ ክኸውንን ይደሊ\" ትብል። ን26 ዓመታት ኣብ ስደት ኣብ ኣመሪካ ጸኒሓ ብ2003 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ናብ ኣፍጋን ዝተመልሰት ተሓላቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ማሕቡባ ሲራጅ ህይወታ ግዳያት ዘቤታዊ ዓመጻት ኣብ ምሕጋዝ፣ ህጻናት ኣገልግሎት ትምህርትን ጥዕናን ክረኽቡን ብልሽውና ኣብ ምቅላስን እያ ኣሕሊፋቶ። ጣሊባን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናብ ስልጣን ምስ ተመልሰ፡ ኣብ ሃገራ ኮይና ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ክበጽሕ ንዝኽእል ወጽዓ ዘለዋ ስግኣት ንማዕኸናት ዜና ውሽጢ ዓድን ወጻእን ኣብ ምቅላሕ ትርከብ። \"ዓለም ሓሲባቶ ብዘይትፈልጥ መገዲ'ያ ኣፍጋኒስታን ናብ ከምዚ ዓይነት ጸገም ጥሒላ። ሕዚ ኣፍጋኒስታን ካብቲ ፖለቲካን ካልእን ጸገማት ድኽነት፣ ስደት ዝተማህረ ሓይሊ ሰብን ውድቀት ማሕበረሰብን ኣለውዋ፤ ስለዚ እታ ሃገር ክትመሓየሽ እንተዘይክኢላ ኣብ ጫፍ ምጥፋእን ምብትታንን እያ ትርከብ ዘላ\" ትብል። ጣሊባን ናብ ስልጣን ምስ ተመልሰ እታ ሃገር ብሸሪዓ ወይ'ውን እስላማዊ ሕጊ ከም ዝመርሓ ኣዊጁ። ቅድም ኢሉ ኣብ 1990ታት ኣብ ዝነበረ ምሕደራ ጣሊባን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ስራሕን ትምህርትን ተኣጊደን ነይረን። ጣሊባን ስልጣን ካብ ዝቆጻጸር ኣትሒዙ ስራሕ ዝነበረን ደቂ ኣንስትዮ ኩነታት ጸጥታ እታ ሃገር ክሳብ ዝመሓየሽ ኣብ ገዝአን ኮፍ ክብላ ተኣዚዘን። ነቲ ብደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ዝተመልአ ናይ ስግግር መንግስቲ ጣሊባን ዝተቓወማ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ተቐጥቂጠን። ተሓላቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ማሕቡባ\"ድምጽና ብዘይምስማዕን ትኽክለኛ ሕቶ ኣብ ዝግበኦ ሰዓት ብዘይምቕራብን፡ ከምኡ'ውን ነገራት ብጣሊባን ይኹን ኣፍጋናውያንን ማሕበረሰብ ዓለምን ጎረባብትን ትኹረት ከምዝረኽቡ እንተዘይገይርና እቲ ኩነታት ክገድድ'ዩ\" ዝብል ስግኣት ኣለዋ። መጽሄት ታይም፡ ሓንቲ ካብቶም \"100 ጸለውቲ ሰባት\" 2021 ክብል ሓርዩዋ ኣሎ። ማሕቡባ \"ሰላም ቀጽሪ ሓደ ንሃገረይ ዝምነዮ ነገር እዩ\" ትብል። ንጣሊባን ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ ድማ \"ኣፍጋኒስታን ሃገር እያ፤ ንሕና ድማ ዝሓሸት ሃገር ክትከውን ኢና ንደሊ። ይርድኦም ድዩ? ብሱሩ ክርድኦም ይደልዩ ድዮም? ዝርድኦም እንተኾይኑ ክሰርሕሉ ይግባእ። ዘይርድኦም እንተኾይኑ ድማ እቲ ሕዚ ዝገብሩዎ ዘለው ክቕጽሉዎ እዮም፤ እታ ሃገር ድማ ክትጠፍእ እያ\" ኢላ። ኣብ ኣፍጋኒስታን ፍልጥቲ ጋዜጠኛ ኣኒሳ ሻሄድ ንልዕሊ 10 ዓመታት ብዛዕባ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ፖለቲካን ብልሽውናን ጸብጺባ። ኣብታ ሃገር ጸለውቲ ምስ ዝበሃሉ ማዕኸናት ዜና፡ ምስ ቶሎ ኒውስ ዝሰርሐት ኣኒሳ፡ ጣሊባን ብ15 ነሓሰ ነታ ሃገር ምስ ተቖጻጸራ፡ ከም ጋዜጠኛን ጓል ኣንስተይትን ንህይወታ ዘስግእ ብዙሕ ምፍርራሕ በጺሑዋ። ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝጣበቕ ትካል 'ሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ' ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ነቲ \"ሓቦኛ\" ስርሓ ኣፍልጦ ክህቦ እንከሎ Free Speech Hub network ኣፍጋኒስታን ከኣ ጋዜጠኛ እዚ ዓመትን \"ምስሊ ናይ ምዝራብ ናጽነት\"ን ክብል ሰምዩዋ። ንሳ፡ \"ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ክስሕቓ ክርኢ ተስፋ ይገብር። ናብ ዓደይ፣ ናብ ገዛይን ናብ ስርሐይን'ውን ክምለስ ተስፋ ይገብር\" ትብል። ማራል፡ ወለዳ ኣብ ዙርያ ምኽባር መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ይኹን ስቪል ማሕበራት ክትነጥፍ ድልየት የብሎምን። ከም ጓል ኣንስተይቲ ናብ ስራሕ'ውን ክትኸይድ የብላን ዝብሉ'ኳ እንተኾኑ ንሳ ግን ብርእይተኦም ኣይተቖረነትን። ካብ 2004 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ጀሚሩ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከባቢአን ክንቀሳቐሳን ብዛዕባ መሰለን ክፈልጣ፣ ናብ ስራሕ ክኸዳን ፋይናንሳዊ ናጽነት ክህልወንን ክትሰርሕ ጸኒሓ። ኣብ ገጠር፡ ግዳያት ዘቤታዊ ዓመጻት ምስ ዝኾና ደቀንስትዮ ብምስራሕ ፍትሒ ክረኽባ'ውን ትሕግዝ። \"ኩሉ ነገር ዝሰኣንና ስለ ዝመሰለኒ ተስፋ ቖሪጸ ነይረ፤ ግን ድማ እቲ ዝሰራሕናዮ ክሓስብ ከለኹ ሓቦ ይሰንቕ። መጻኢ ነቶም ሰላምን ሰብኣውነትን ዝደልዩ ስለ ዝግባእ ተስፋ ኣይቖርጽን\" ኢላ። ዛላ ዛዚ ድማ፡ ፈላመይቲ ምኽትል ኣዛዚት ቤት ጽሕፈት መርመራ ገበን ግዝኣት ክሆስት እያ። እዚ ዞባ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ብዝፍጽሙዎ መጥቃዕቲ ሰላምን ምርግጋእን ዝስኣነ ከባቢ እዩ። ካልኣይ ሌተናል ዛላ ዛዚ\" ሓንቲ ካብተን ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ካብ ኣካዳሚ ፖሊስ ቱርኪ ዘመናዊ ስልጠና ዝረኸባ ደቂ ኣንስትዮ ፖሊስ እያ። ኣብ ስራሕ ኣብ ዝጸንሐትሎም ዓመታት ካብ ደቂ ተባዕትዮ መሳርሕታ ምፍርራሕ፤ ካብቶም ዕጡቃት ድማ ናይ ሞት ምፍርራሕ ክበጽሓ ጸኒሑ። ጣሊባን ናብ ስልጣን ምስ ተመልሰ ከኣ ካብታ ሃገር ክትወጽእ ተገዲዳ። \"ተመሊሰ ነቲ ናይ [ፖሊስ] ዩኒፎርም ክኽደኖን ነቲ ተባዕታዊ ማሕበረሰብን ባህልን ክቃለሶን እምነ። ናይ ምስራሕ መሰለን ንዝተመንዝዓ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋን'ውን ክሕግዝ ይደሊ\" ኢላ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59508209"} {"headline":"ቤቶም ከማምቑ ፕላስቲክ ከቃጽሉ ዝግደዱ ዘለው ኣፍጋናውያን","content":"ብርቱዕ ቁሪ ሓጋይ ንሰብኣዊ ቅልውላው ኣፍጋኒስታን የጋድዶ ኣሎ። ጣሊባን ስልጣን ድሕሪ ምሓዙን ዓለምለኻዊ እገዳታታት ኣብ ልዕሊ'ታ ሃገር ድሕሪ ምንባሩን ቁጠባ እታ ሃገር የንቆልቁል ኣሎ። ውድቀት እቲ ዝጸንሐ መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ምቁራጽ ምዕራባዊ ሓገዛትን ንሽቕለት ኣልቦነት ኣዕሪጉዎ ይርከብ። ንኣባላት ስድርኦም ቀለብ ኮነ ንቤቶም ጸዓት ክቕርቡ ዝኽእሉ ሒደት እዮም። ሓደ ሚልዮን ህጻናት ንከቢድ ሕጽረት መግቢ ተቓሊዖም ኣለው። ሕቡራት ሃገራት እታ ሃገር ቅልጡፍ ረድኤት ክወሃባ ጸዊዑ ኣሎ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59970761"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን፡ ጣሊባን ቤት ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮ ክኸፍት ዝጽውዕ ሰልፊ ተኻይዱ","content":"መብዛሕተአን ደቂ ኣንስትዮ ዝኾና ተሳተፍቲ ዝርከቦኦም ሰልፈኛታት ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ጣሊባን ተረኺቦም እቲ ጉጅለ ነቲ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህር ክኸፍቶ ጸዊዖም፡፡ እቶም ካብ 20 ዝበዝሑ ዝተባህሉ ሰልፈኛታት ቀዳም ንጉሆ እዮም ተቓውሞኦም ኣስሚዖም፡፡ ጣሊባን እቶም ኣብያተ ትምህርቲ ክጅመሩ ፈቒዱ ከብቅዕ፡ ድሕሪ ሰዓታት ተምሃሮ ምምጻእ ምስጀመራ መሊሱ ክዕጾ ኣዚዙ፡፡ እቲ ተግባር ካብ ብዙሓት ወገናት ተቓውሞ ኣስዒቡሉ ኣሎ፡፡ እተን ተቓወምቲ ኣብ ቅድሚ ዕጡቓት ጣሊባን ‘‘ትምህርቲ መሰልና እዩ፤ ማዕጾ ቤት ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮ ክፈትዎ’’ ክብላ ተሰሚዐን፡፡ ኣብቲ ሰልፊ ዝተሳተፈት ሓንቲ መምህር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ‘‘ናጽነትን ክምሃራ ዝደልያ ደቂ ኣንስትዮን ብዝምልከት ህይወተይ ክህብ ድሉውቲ እየ’’ ኢላ፡፡ ‘‘ንናይ ደቅና ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰል ኢና ኣብዚ ዘለና፤ ብዘይ እዚ መሰል፡ ሞይትና እውን ክንከውን ንኽእል ኢና፡፡’’ ቅድሚ ሕዚ ዝተኻየዱ ሰልፊታት ብሓይልታት ጣሊባን ክብተኑን ተሳተፍቲ ክእሰሩን ዝተርኣዩ ኮይኖም እቲ ናይ ትማሊ ሰልፊ ግን ክቕጽል ፈቒዶም እዮም፡፡ ጣሊባን ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ደጊሙ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ጀሚሩ፡ ኣብ መብዛሕቲኡ ከባቢታት ኣፍጋኒስታን ቀዳማይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ዝተኸፈተ ኮይኑ፡ ዝባዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ግን ናብ ቤት ትምህርቲ ከይምለሳ ከልኪሎም፡፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ጣሊባን ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮ ብረቡዕ ከምዝኽፈታ እኳ ገሊጹ እንተነበረ፡ ማእከላይ መሪሕነት እቲ ጉጅለ ግና ‘‘ዝተዋደደ እስላማዊ ትልሚ\" ክሳብ ዝወጽእ ደው ክብል ኣዚዙ፡፡ ነዚ ስዒቡ ኣፍጋናውያን፡ ክመሃራ ተሃንጥየን ከይደን ሓዚነን ናይ ዝተመለሳ ተምሃሮ ቪድዮታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብምክፋል ተቓውሞኦም ይገልጹ ኣለዉ፡፡ ኣመሪካን ዓይይ ብሪጣንያን ዝርከበአን ዓሰርተ ሃገራት ብዓርቢ ኣብ ዘውጸአኦ ሓበራዊ መግለጺ ውሳነ ጣሊባን ኣዐርዩ ዝርብሽ ክብላ ገሊጸን፡፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ድማ ኣብ ቐጠር ምስ ጣሊባን ከካይዶ ተሊሙ ዝነበረ ዘተ ሰሪዝዎ፡፡ እንተኾነ ምኽፋት ቤት ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣመልኪቱ ኣብ መንጎ ሕሉፋትን ማእከላይ መርገጺ ዘለዎምን ኣባላት እቲ ጉጀለ ኣፈላላይ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ፡፡ ኣብ ሰሜናዊ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ ኣባላት ጣሊባን ጎራዙ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዳ ዝፈቐዱ ኮይኖም ካልኦት ግን ይቃወሙ ኣለዉ፡፡ ኣብቲ ብቀዳም ኣብ ካቡል ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ ሓንቲ ብተስፋ ምቑራጽ እትበኪ ተምሃሪት ‘‘ናትና ትውልዲ ናጻ ክኾናን ክዕምብባን እየ ዝደሊ፤ ኣብ ገዛ ኮይነን ክነብዓ ኣይኮነን’’ ክትብል ተዛሪባ፡፡","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60891660"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን፡ ጣሊባን ኣብ ዞባ ሂልማንድ ቀምቃሞ ጭሕሚ ዓማዊሎም ከይቕምቅሙ ኣዚዞም","content":"ጣሊባን፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዞባ ሂልማንድ ንዝርከቡ ቀምቃሞ ንእስላማዊ ሕጊ ዝጥሕስ'ዩ ብምባል ጭሕሚ ዓማዊሎም ከይቅምቅሙ ከልኪሎም። ሃይማኖታዊ ፖሊስ ጣሊባን ነዚ ሕጊ ዝጠሓስ ሰብ ክቅጻዕ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። ኣብ ርእሰ ከተማ ካቡል ዝርከቡ ገለ ቀምቀምቲ'ውን ተመሳሳሊ ትእዛዝ ከም ዝተውሃቦም ገሊጾም። እዚ ትእዛዝ፡ ጣሊባን ዘይከምቲ ዝኣተዎ ቃል ናብቲ ቀደም ዝኽተሎ ዝነበረ ተሪርን ኣገዳድን ኣመራርሓ የምርሕ ከም ዘሎ ሓባሪ ኣንፈት'ዩ ተባሂሉ'ዩ። ጣሊባን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ጥራይ፡ ኣብ ልዕሊ ተቃወምቱ ጭካነ ዝተሓወሶ መቕጻዕቲ እዩ ከተግብር ተራእዮ። ብቀዳም፡ ኣብ ዞባ ሃራት ሰራዊት ጣሊባን ጨወይቲ'ዮም ንዝበልዎም ኣርባዕተ ሰባት ብጥይት ብምቕታል፡ ሬስኦም ኣብ ጽርግያ ኣንጠልጢለሞ ውዒሎም። ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ ዞባ ሂልማንድ ኣብ ዝርከባ እንዳ መስተኻኸሊ ጽጉሪ ርእሲ፡ ብሰብ መዚ ጣሊባን ዝተዋህበ ናይ ጽሑፍ መጠንቀቕታ ቀምቃሞ ጸጉሪ ርእስን ጭሕም ኣብ ምቅምቃም ሕጊ ሸሪዓ ክኽተሉ ከም ዘለዎም ኣጠንቂቖም። እቲ ቢቢሲ ርእዩ ዘረጋገጾ ብሰብ መዚ ጣሊባን ዝተለጠፈ ናይ መጥንቀቕታ ምልክታ \"ዝኾነ ሰብ ከዕጎምጉም መሰል የብሉን\" ዝብል ይርከቦ። ኣብ ካቡል ዝርከብ ሓደ ቀምቃማይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ \"እቶም ሰራዊት መጺኦም ጭሕሚ ከይንቅምቅም ከልኪሎሙና\" ድሕሪ ምባል \"ሓደ ካብኦም'ውን ዝከታተሉና ዝኣስሩናን ሰባት ከም ዝልእኸልና ሓቢሩኒ\" ኢሉ። ሓደ ካልእ ኣብ ካቡል ካብ ዝርከባ ዓበይቲ ትካላት መስተኻኸሊ ጸጉሪ ዝውንን ቀምቃማይ'ውን ሓደ ብዓል መዚ ጣሊባን'የ ኢሉ ብቴሌፎን ዝደወለሉ ሰብ 'ናይ ኣመሪካ ቅዲ ኣይትከተል' ብምባል ዝኾነ ናይ ዓሚሉ ጭሕሚ ከይቕምቅም ከም ዘፈራርሖ ገሊጹ። ጣሊባን ካብ 1996 ክሳብ 2001 ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ፡ ደቂ ተባዕትዮ ጭሕሞም ከየሕጽርዎን፡ ስሓቢ ዝኾን ዓይነት ኣቀማቅማ ከይቅምቀሙን ኣዚዙ ነይሩ'ዩ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58703190"} {"headline":"ጣሊባን፡ ገበነኛታት ብምቝራጽ ኣካላትን ብእምኒ ምቕጥቃጥን ክቕጽዑ ኣዚዙ","content":"መራሒ ጣሊባን ሃይባቱላህ ኣኩንዛዳ፡ ደያኑ ኣፍጋኒስታን፡ ንገለ ገበናት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ምቑራጽ ኣካላትን ብእምኒ ምቕጥቃጥን ዘጠቓልል መቕጻዕቲ ክፈርዱ ኣዚዙ። ኣፈኛ እቲ መራሒ፡ ከም ምዝማት፡ ምጭዋይን ዓመጽን ዝኣመሰሉ ገበናት ምስቲ እቲ ጉጅለ ዘኽብሮ እስላማዊ ሕጊ ሸሪዓ ብዝሰማማዕ ክቕጽዑ ኣለዎም ኢሉ። ኣብ 1990ታት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ጣሊባን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ምቕታል ብዝኣመሰለ መቕጻዕቲ ይኹነን ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዳግማይ ስልጣን ክሕዝ እንከሎ ብዝያዳ ልዙብ ኣተሓሕዛ ክመርሕ ቃል ኣትዩ ነይሩ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ግን እቲ ዕጡቕ እስላማዊ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ናጽነታት ገደባት የንብር ኣሎ። ብፍላይ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ብኸቢድ ተገዲቡ እዩ። ላዕለዋይ መራሒ ጣሊባን፡ እቲ ዝፍጸም ገበን ነቶም ሕግታት ዝጥሕስ እንተኾይኑ፡ ደያኑ ንገበነኛታት ብመሰረት ሕጊ ሸሪዓ ክቐጽዕዎም ኣለዎም ኢሉ። ወሃቢ ቃል ጣሊባን ዛቢሁላህ ሙጃሂድ ብሰንበት ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ እቲ \"ግዴታዊ\" ትእዛዝ፡ ሙላ ኣኩንዛዳ ምስ ጉጅለ ደያኑ ድሕሪ ምርኻቡ ከምዝተወሰነ ገሊጹ። ሙጃሂድ ንኣክሁንዛዳ ብምጥቃስ \"ፋይላት ሸፋቱ፡ ጨወይቲን ዓመጽትን ብጥንቃቐ መርምሩ\" ክብል ወሲኹ። ጣሊባን፡ ትኽክለኛ ገበናትን መቕጻዕትን ኣይነጸረን፡ እንተኾነ ሓደ መራሒ ሃይማኖት ኣፍጋኒስታን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብመሰረት ሕጊ ሸሪዓ፡ መቕጻዕቲ ምቑራጽ ኣካላት፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብእምኒ ምቕጥቃጥን ከጠቓልል ከምዝኽእል ገሊጹ። እዚ ትእዛዝ፡ ጣሊባን ኣብ መሰላትን ናጽነትን ዝያዳ ተሪር መስመር ይኽተል ከምዘሎ ዘርኢ መርትዖ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ መናፈሻታት ካቡል ከይበጽሓ ተኣጊደን እየን፡ እዚ ድማ ካብ ህዝባዊ ህይወት ዘግልለን እዩ። እቲ እገዳ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ህዝባዊ መሕጸቢ ኣካላትን ጂምናዝየምን’ውን ከይኣትዋ ይኽልክል። ጣሊባን ኣብ ሓጋይ 2021 ዳግማይ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር ኣብ መላእ ኣፍጋኒስታን ደረጃ ዓመጽ ቀኒሱ እዩ። ይኹን እምበር እቲ ጉጅለ፡ ናይ ተቓወምቲ፡ ደቂ ኣንስትዮን ጋዜጠኛታትን ሓዊሱ ሰብኣዊ መሰላት ይግህስ ኣሎ ዝብሉ ብዙሓት ክስታት ኣጋጢምዎም እዩ። ከምቲ ካብ 1996-2001 ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝነበረ ኣረሜናዊ ዓፈና ደቂ ኣንስትዮ ከምዘይህሉ ቃል ኣትዩ'ኳ እንተነበረ፡ ፍርቂ እቲ ህዝቢ ግን ክገብሮ ዝኽእል ነገር ብከቢድ ይግታእ እዩ ዘሎ። ደቂ ኣንስትዮ ብዘይ ወዲ ተባዕታይ መሰነይታ ነዊሕ ጉዕዞ ከይከዳ ተኸልኪለን እየን። ጎራዙት ክሳብ ሕጂ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል እታ ሃገር ናብ ቤት ትምህርቲ ኣይኸዳን፡ ጣሊባን ከምዝፈቐደለን እኳ ቃል እንተኣተወ። ገለ ደቂ ኣንስትዮ ክሳብ ሕጂ ኣብ ከም ክንክን ጥዕናን ትምህርትን ዝኣመሰሉ ዓውድታት ይሰርሓ’ኳ እንተሃለዋ፡ መብዛሕትአን ግን ጣሊባን ናብ ስልጣን ምስ ተመልሰ ናብ ስራሕ ከይወፍራ ተነጊርወን እዩ። ኣብ ወርሒ ግንቦት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እስላማዊ ጉልባብ ክለብሳ ክእዘዛ እንከለዋ ብርክት ዝበላ ድማ መሰለን ስለዝሓተታ ተሃሪመን እየን። ማሕበረሰብ ዓለም፡ ጣሊባን፡ ገና ኣብ ጸጥታ፡ ምሕደራን ሰብኣዊ መሰላትን ክማላእ ዘለዎ መብጽዓታት ከኽብር ኣብ ዝጽበየሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተሓዝ ቢልዮናት ዶላር ዝግመት ንብረት ኣፍጋኒስታን ከይንቀሳቐስ ተኣጊዱ’ሎ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ced980gkeqko"} {"headline":"ፓኪስታን፡ ህይወት ሓደ ኮተቴ ንሓዋሩ ዝቐየረ ጻውዒት ስልኪ","content":"ወዲ 17 ዓመት ኢሳር፡ ቴሌፎኑ ክትጽውዕ እንከላ ደቂሱ ነይሩ። እዚ \"ኣብ ህይወተይ ፈጺመ ዘይርስዖ ስልኪ'ዩ\" ክብል ይገልጾ። ሙሉእ መዓልቲ ዋርድያ ኮይኑ ክሰርሕ ስለ ዝወዓለ ደኺሙ ክድቅስ እንከሎ ፍርቂ ለይቲ ሓሊፉ ነይሩ። ኣብዚ ውድቕቲ ለይቲ ስልኪ ዝደወለ ሓው'ዩ፤ ገለ ሰባት ናብ መንበሪ ገዛ ስድራቤቶም ብምእታው ንኣቡኦም ጎቲቶም ኣውጺኦም ከም ዝቐተሉዎ ይነግሮ። \"ቐልጢፍካ ናብ ገዛ ተመለስ ኢሉኒ\" ይብል ኢሳር። ንድሕነቱ ክንብል ሽሙ ቐይርናዮ ኢና። ኣብ ኦራክዛይ፡ ሓንቲ ካብ ሸውዓተ ምምሕዳራት ፓኪስታን ኢና ረኺብናዮ። እዛ ኣብ ዶብ ኣፍጋኒስታን እትርከብ ግዝኣት ብብዝሒ ፓሽቱን ዝተባህሉ ሕብረተሰብ ዝነብሩላ ዓዲ'ያ። ኣቦ ኢሳር ምስ ተቐትለ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፡ እስላማዊ ጉጅለ ኣይኤስ-ኬይ ሓላፍነት ወሲዱ። እዚ ጉጅለ ወላዲ ኢሳር ንሰራዊት ፓኪስታን ሓበሬታ የቐብል ነይሩ ክብል ይኸሶ፤ ኢሳር ግን ኣይቕበሎን። \"ኣቦይ ኣብ ኦራክዛይ ድኳን ነይራቶ። ንደቂ ዓዱ ብፍላይ ድማ ነቶም ብምኽንያት ኲናት ዝተመዛበሉ ሰባት ክሕግዝ ይኽእል'ዩ። ጸላኢ ኣይነበሮን፤ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዘለው ዓበይቲ ዓዲ'ውን ሓደ ነይሩ\" ይብል። ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ጣሊባንን ኣይኤስ-ኬይን ንሓድሕዶም ደማዊ ውግእ የካይዱ ኣለው። ኣብ ፓኪስታን ክኣ ዝኸፍአ ደልሃመት ኣሎ። ኣቦ ኢሳር ኣብ ዝተቐትለሉ መዓልቲ፡ ኣብቲ ከባቢ ካልእ ሰብ'ውን ተቐቲሉ። እዚ'ውን ንሰራዊት ፓኪስታን \"ሓበሬታ\" ይህብ ነይሩ ብዝብል'ዩ ዝኽሰስ። ኣይኤስ-ኬይ ነዚ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ። ኦርካዛይ፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ብሪጣኒያ ካብ ዝነበራ ሓንቲ ኮይና፡ ኣብ 2018፡ ምስ ግዝኣት ፓኪስታን ዝኾነት ኪሃይበር ፓክቱንክዋ ተጸምቢራ ኣብ ሓደ ምምሕዳር ኮይና። ኣብዚ ዓመት ግን ብዙሕ ጎንጺ ተላዒሉ። ነዚ፡ ቴህሪክ ጣሊባን ፓኪስታን [ቲቲፒ] ዝተባህለ \"ስነ ሓሳባዊ መንታ\" ጣሊባን ዝኾነ ጉጅለ ሓላፍነት ይወስድ። ቲቲፒ፡ ኣሰር መሪሕነት ኣፍጋኒስታን ተቖጻጺሩ ዘሎ ጣሊባን ክኽተል ይደሊ - እዚ ማለት ፓኪስታን ብጽኑዕ ሕጊ ሸሪዓ ክትመሓደር ኣለዋ ኢሉ ይኣምን። ከም ጸብጻብ ኢንስቲትዩት መጽናዕታት ሰላም ፓኪስታን፡ እዚ ጉጅለ ኣብ 2020 ኣብ ፓኪስታን 95 መጥቃዕታት ክፍጽም እንከሎ፡ 140 ሰባት ቐቲሉ። ኣብ መጀመርታ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እዚ ዓመት ድማ 44 መጥቃዕታት ፈጺሙ። ጣሊባን ኣብ ፓኪስታን ሓይሉ እናበርትዐን ዝተፈላለያ ምምሕዳራት እናተቖጻጸረን ምስ መጽአ ድማ፡ ቲቲፒ'ውን ምንቅስቓሳቱ ኣሐይሉ። በዚ መሰረት ካብ ወርሒ ሓምለ ክሳብ መስከረም ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ካልእ 44 መጥቃዕታት ብምፍጻም 73 ሰባት ቀቲሉ። እዚኦም መብዛሕትኦም ኣባላት ኤጀንሲታት ምኽባር ሕጊ ፓኪስታን ዝነበሩ'ዮም። ከምዚ እናበለ፡ ኣብቲ ዞባ ስግኣትን ወጥርን ወሲኹ። ገለ ነበርቲ ካብ ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን ዝኾኑ ኣባላት ገንዘብ ኣምጽኡ ዝብል ጻውዒት ስልኪ ክበጽሖም ጀሚሩ። ኣሕመድ [ሽሙ ዝተቐየረ] ኣብ ምምሕዳር ባዡር ዝነብር ነጋዳይን ክኢላ ማሕበራዊ ዕዮን ኮይኑ፡ ካብ ሓምለ ክሳብ ነሓሰ ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ዝተፈላለዩ ኣባላት እቲ ጉጅለ ቴሌፎን ይድወሎ ከም ዝነበረ ንቢቢሲ ገሊጹ። እዞም ሰባት፡ ኣባላት ጣሊባን ከም ዝኾኑ ብምግላጽ ገንዘብ ይሓቱ። \"ብዙሕ ገንዘብ ይሓቱ ነይሮም። ኣነ ግን ኣይህብን ስለ ዝበልኹዎም፡ ብዋትሳፕ ንዓኻን ንስድራኻን ክንጎድኣኩም ኢና ዝብል ናይ ድምጽን ጽሑፍን መልእኽቲ ብተደጋጋሚ ይበጽሓኒ ነይሩ\" ይብል። ነዚ ኣመልኪቱ ብተደጋጋሚ ንምምሕዳር እቲ ኸባቢ ጥርዓን'ኳ እንተኣቕረበ፡ \"ከምዚ ዝኣመሰለ ጻውዒት ስልኪ ኣብ በይንኻ ኣይኮነን። ኣብ ባዡር ንብዙሓት ተላኢኹዎም'ዩ፤ ንኹሉ ክኣ ሓለዋ ክንገብር ኣይንኽእልን\" ዝብል ምላሽ ከም ዝተዋህቦ ይዛረብ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ንርእሱ ብንቕሓት ክሕሉን ኣብ ገዝኡ ካሜራ ክተክልን ከም ዝሓበሩዎ ይገልጽ። ቲቲፒ መን'ዩ? ቲቲፒ፡ ኣብ መወዳእታ 2007 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ደቡብ ዋዚሪስታን ብባቱላህ መስዑድ ኣንጻር እቲ ኣብ ኢስላማባድ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ መስጊድ ላል ማስጂድ ዝተወስደ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ዝተመስረተ ጉጅለ'ዩ። እዚ መስጊድ ሓደ ሕሉፍ ሰባኺ ተቖጻጺሩዎ ከም ዝነበረ ይንገር። እዚ ኣብ ሓደ እዋን ንኤጀንሲ ስለያ ፓኪስታን ቐረባ ከም ዝነበረ ይዝረበሉ። ከም ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ኣካዳሚ ሰራዊት ኣመሪካ ዶክተር ኣሚራ ጃዶን፡ ኣብ ሞንጎ ጣሊባን ኣፍጋኒስታን ፓኪስታን ዘሎ ርክብ ካብ መጥቃዕቲ መስከረም 9\/11ን ምውዳቕ መንግስቲ ጣሊባን ኣብ 2001ን ዝጅምር'ዩ። ኣመሪካ ንኣፍጋኒስታን ምስ ወረረት፡ መራሕቲ ፓኪስታን ጣሊባን ዓሌት ፓኪስታን ኣብ ዝነብሩለን ከባቢታት ናይ መግቢ፣ መጽለልን ፋይናንሳዊ ሓገዝን ብምግባር ኣብ ጎኒ ጣሊባን ኣፍጋኒስታን ኮይኖም ከም ዝተዋግኡ ተንተንቲ ይገልጹ። ቲቲፒ ምስ ተመስረተ ግን፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባትን ሓይልታት ጸጥታን መጥቃዕቲ ብምፍጻም ኣንጻር ፓኪስታን ክነዓብ ጀሚሩ። ሰራዊት ፓኪስታን ስጉምቲ ብምውሳድ ንመራሕቲ እቲ ጉጅለ ናብ ኣፍጋኒስታን ክደፍኦም እንከሎ፡ ክሳብ 2015 ዓ.ም ኣብኡ ዓሪዶም ንኣሽቱ መጥቃዕታት ክፍጽሙ ጸኒሖም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፡ ጣሊባን ኣፍጋኒስታን ናብ ካቡል ግስጋስኡ ምስ ኣሐየለ፡ ቲቲፒ ክጎልሕ ጀሚሩ። ኣዛዚ ጣሊባን ፓኪስታን ኑር ዋሊ መስዑድ ንሲኤንኤን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ዓወት ጣሊባን ኣፍጋን \"ንመላእ ህዝቢ ሙስሊም ዓወት\" ክኸውን ይኽእል'ዩ ብምባል ንፓኪስታን ኣጠንቂቑ ነይሩ። \"ቓልስና ኣብ ፓኪስታን ኮይኑ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ፓኪስታን እንገጥሞ'ዩ። ኣብ ዶባት ፓኪስታን ዘለው ዞባታት ሓራ ከነውጽኦም ኢና\" ኢሉ። ማእኸሉ ኣብ ሲንጋፖር ዝገበረ ተንታኒ ግብረ ሽበራ ዓብዱል ባሲጥ: ዓወት ጣሊባን ኣፍጋን ንቲቲፒ \"ብርግጽ ኣትቢዑዎም'ዩ\" ኢሉ ይኣምን። \"ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ተሳዒራ እንተወጺኣ፡ ፓኪስታን እንታይ ክትገብር ትኽእል ኢሎም ክሓስቡ ገይሩ'ዩ። ብተወሳኺ ዓሌታዊ ጎንጽን ናዕብን ከለዓዕሉ ጸኒሖም'ዮም\" ይብል። ይኹን'ምበር፡ ኣማኻሪ ሃራዊ ድሕነት ፓኪስታን ዝነበረ ጡረተኛ ጀነራል ናስር ጃንጁ ቲቲፒ \"ዘንሳሕብ ክስተት'ዩ\" ክብል ይገልጾ። \"ቲቲፒ ኣብ መብዛሕትኡ ቕቡልነት ስኢኑ'ዩ፤ ሕጂ ኣመሪካ ካብ ኣፍጋን ስለ ዝወጽአት ፓኪስታን ኣብ ጎኒ ኣመሪካ ስለ ዝተሰለፈት ኢና ንቃለስ ዘለና ዝብል ተረኽ ዋጋ የብሉን። እቲ ብተደጋጋሚ ዘብጽሑዎ ዘለው መጥቃዕቲ ድማ ናይ ህልውና ቓልሲ'ዩ\" ኢሉ። ፓኪስታን፡ ምስ ጣሊባን ኣፍጋኒስታን ዝምድና ከም ዝነበራን ኣብ ኣፍጋኒስታን ንዝተኸሎ ሓድሽ ስርዓት: ዓለም ንክቕበሎ ጸቕጢ ትገብር ምዃናን ይእመን። ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ኣንጻር ጣሊባን ፓኪስታን ደማዊ ውግእ ክተካይድ ጸኒሓ፤ በዚ ምኽንያት ኣብታ ሃገር ኣሽሓት ሰላማውያን ሰባትን ሓይልታት ጸጥታን ተቐቲሎም። ካብዚ ብዝብገስ ፓኪስታን፡ \"ሕማቕን ጽቡቕን ጣሊባን\" ዝብል ስትራቴጂ ከም እትኽተል ይግለጽ። እዚ ማለት፡ እቶም ናይ ኣፍጋን ጣሊባን ከም ጽቡቕ ብርሃን ዝርኣዩ ኮይኖም፡ እቶም ናይ ፓኪስታን ድማ ከም ሕማቕ ብርሃን ይርኣዩ። ሰራዊት ፓኪስታን፡ ነዞም ኣብ ከባቢ ዶብ ኣብ ዝርከባ ናይ ዓሌት ከባቢታት ዘለው ጣሊባን ፓኪስታን ንምውጋድ ብዝወሰዶም ስጉምታት ኣማኢት ኣሽሓት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም'ዮም። መንግስቲ ፓኪስታን፡ ኣብዞም ዝሓለፉ ዓመታት ምስቶም ኣብ ውሽጢ ጣሊባን ፓኪስታን ዘለው ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ስምምዕ ሰላም ክገብር ጻዕሪ ገይሩ'ዩ። እንተኾነ ኣይኤስ-ኬ ኣብቲ ከባቢ ምህላው ካልእ ጸገም ክፍጠር ምኽንያት ኮይኑ። ኣይኤስ-ኬይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጣሊባን ኣፍጋን ምስ ኣመሪካ ስምምዕ ክፍርም እንከሎ ንጅሃድ ንጎኒ ገዲፉ ክብል ኸሲሱዎ'ዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ከም \"ክሓዲ\" እዩ ዝርእዮ። ገለ ተንተንቲ፡ ታሕተዎት ካድረታት ቲቲፒን ኣብ ፓኪስታን ዘለው ኣይኤስ-ኬይን መብዛሕትኡ ግዜ ንክልቲኡ ጉጅለ ዝሰርሑን ተመሳሰልቲ ኣባላት ዝሓቖፈን'ዩ ይብሉ። ይኹን'ምበር፡ ኣይኤስ-ኬይ ንርእሱ \"ብሕታዊ ሕጋዊ ኣመሓዳሪ ህዝቢ እስላም\" ገይሩ ከም ዝወስድ ዶክተር ጃዶን ተዛሪባ። በዚ ምኽንያት፡ ብዙሕ መጥቃዕቲ ዕጡቓት ጉጅለታት ብምህላዩ ሰላማውያን ሰባት ኣዝዮም ይጽገሙ። ብዙሓት ከም ዝሞቱ፣ ኣባይቲ ከም ዝዓነው፣ ገሊኦም ኣእዳዎም፣ ገሊኦም ድማ ኣእጋሮም ከም ዝስኣኑ፤ ፈጺሙ ኢድን እግርን ዘይብሎም ከም ዘለው፣ ኣማኢት ኣሽሓት ድማ ከም ዝተመዛበሉ ግዳያት ይገልጹ። ኢሳር'ውን \"እቲ ኲናት ቅድሚ 14\/15 ዓመት ክጅምር እንከሎ ካብ ምምዝባል ወጻእ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረናን፤ ስድራይ ቅድሚ ክልተ ዓመት ተመሊሶም። መንግስቲ ሰላም ኮይኑ'ዩ ናብ ዓድኹም ተመለሱ ይብለና፤ ግን ሰላም ኣበይ ኣሎ\" ክብል ይሓትት።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58825441"} {"headline":"ዛንታ'ቲ ምስ ሄሊኮፕተሩ ናብ ጣሊባን ኢዱ ዝሃበ ፓይለት","content":"መሓመድ እድሪስ ሞማንድ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ “ብዙሓት ሰባት ብኣይ ሕጕሳት ዘይክዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣነ ግን ይብል ኣለኹ፡ እዛ መሬት ልክዕ ከም ኣደ እያ፤ ዝዀነ ሰብ ከኣ ክኸድዓ የብሉን” ኢሉ። መሓመድ፡ ኣፍጋኒስታን ኣብ ኢድ ጣሊባን ቅድሚ ምውዳቓ፡ ሓደ ካብቶም ውሑዳት ብመንግስቲ ኣሜሪካ ምምራሕ ሄሊኮፕተር ዝተማሃሩ ፓይለታት’ዩ። እንተዀነ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጣሊባን ንካቡል ክሕዛ ኣብ ዝቐራረበሉ ዝነበረ እዋን፡ ሄሊኮፕተር ሑዙ ናብቶም ክዋግኦም ኢሉ ብረት ዝዓጠቐሎም ጣሊባን ኢዱ ሂቡ። መሓመድ ኣብ ታሪኽ ኣፍጋኒስታን ሄሊኮፕተር ሒዙ ናብ ጸላኢኡ ኢዱ ዝሃበ ናይ መጀመርታ ፓይለት’ዩ። “ኣነ ናይ ኣፍጋኒስታን ንብረት ምሕላው’ዩ ዕላማይ” ብምባል ከኣ የረድእ። ንሱ  ኣብ 2009’ዩ ናብ ሰራዊት ኣፍጋኒስታን ተጸንቢሩ። ናብ ኣሜሪካ ብምኻድ፡ ኣብ ዌስት ፖይንት ዝብሃል ቦታ ንኣርባዕተ ዓመታት ብወተሃደራት ኣሜሪካ ምምራሕ ሄሊኮፕተር ተማሂሩ። ክምሃር እንከሎ፡ ንሓደ ወተሃደር ምምራሕ ሄሊኮፕተር ንኽምሃር ክሳብ 6 ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ከም ዝግበረሉ በቶም ዓለምቱ ተነጊርዎ’ዩ። መሓመድ ከምዚ ዓይነት ትምህርቲ ምርካቡ ኣዝዩ ሕጕስ’ዩ። ነታ ኣብ ኣሜሪካ እንከሎ ንልምምድ ወጺኡ ናይ ምትኳስ ፈተነ ዘካየደላ መዓልቲ ኣይርስዓን’ዩ። “ኣዝየ ሕጕስን ህንጡይን’የ ነይረ። ኣብ ህይወተይ ሄሊኮፕተር ሒዘ ሰማይ ሰማይ ክኸይድ ዘኽእል ዕድል ከጓንፈኒ’ዩ ኢለ ሓሲበ ኣይፈለጥን’የ፡” ይብል። ኣርባዕተ ዓመታት ዝወሰደ ልምምድ ድሕሪ ምግባር፡ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ስድራኡ ክርኢ ጀሚሩ። ከይደንጐየ፡ ስርሓት ሩስያ ዝዀነት ኤም ኣይ 17 ዝዓይነታ ሄሊኮፕተር ሒዙ ኣብ ምዕራብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝርከብ ሄራት ኣብ ዝበሃል ቦታ ተመዲቡ። “ኣብ መወዳእታ 2018 ሓዲሽ ቴክኖሎጂ ሓይሊ ኣየር ዝተመሃርና መንእሰያት ‘ብላክ ሃውክ’ ዝዓይነተን ሄሊኮፕተራት ከነብርር ስለ ዝተሓረና፡ ናብአን ተሰጋጊረ” ይብል። እዘን ሄሊኮፕተራት ንቀረብን ንመጓዓዝያን ዘገልግላ ዓበይቲ ሄሊኮፕተራት’የን። መንግስቲ ኣሜሪካ ምስ መላፍንቱ ብምዃን፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝነበሩ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብታ ሃገር ምስ ወጽኡ፡ ኣፍጋናውያን ንሃገሮም ካብ ጣሊባን ንኽከላኸሉ ብምሕላን ዓሰርተታት ቢልዮናት ዶላራት ብምውጻእ ንሰራዊት ኣፍጋኒሰታን ኣሰልጢኖምን ኣዕጢቘምን’ዮም። እንተዀነ እዚ ሕልሚ’ዩ ኰይኑ ተሪፉ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ሚያዝያ 2021 ሰራዊት ኣሜሪካ፡ 11 መስከረም ካብ ኣፍጋኒስታን ጠቕሊሉ ክወጽእ ምዃኑ ምስ ሓበረ፡ ሰራዊት ኣፍጋኒስታን ዝቈጻጸሮም ዝነበረ ሓያሎ ቦታታት ብጣሊባን ክምንዛዕ ግዜ ኣይወሰደን። ሰራዊት ኣሜሪካ 31 ነሓሰ ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጽእ ኣብ ዝጀመረሉ ኸኣ፡ ጣሊባን ናብ ርእሰ ከተማ ካቡል ክጽጋዕ ኣይደንጐየን። 6 ነሓሰ ጣሊባን ንሓንቲ ርእሰ ከተማ ናይ ሓደ ዞባ ተቘጻጸረ። በብሓደ ንብዙሓት ከተማታት ድሕሪ ምሓዝ 15 ነሓሰ ንካቡል ብዘይ ኵናት ተቘጻጺርዋ። እቲ ብዓሰርታት ቢልዮናት ዶላር ዝዓጠቐን ዝሰልጠነን ሰራዊት ኣፍጋኒሰታን ብቕጽበት ሃደሽደሽ ኢሉ። ብዙሓት ካብ መራሕቲ እታ ሃገር ናብ ወጸኢ ሃዲሞም፤ ዓሰርታት ኣሽሓት ኣፍጋናውያንን ወጻእተኛታትን ካብታ ሃገር ብህጹጽ ክወጽኡ ተዲዶም። ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነቶም ዋላ ሓንቲ ከይተዋግኡ ዝሃደሙ መራሕቲ እታ ሃገር ብተሪር ነቒፍዎም። መሓመድ፡ 14 ነሓሰ ናብቲ ኣብ ካቡል ዝርከብ መደበር ሓይሊ ኣየር ኣንጊሁ ከም ዝኸደ’ዩ ዝሕብር። እቲ ኣብቲ መዓስከር ዝጸንሖ ኵነታት ወጥሪ ዝዓሰሎ’ዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ጣሊባን ድሮ ናብ ወሰናስን እታ ከተማ ተጸጊዑ ነይሩ። ላዕለዎት ሓለፍቲ እታ ሃገር ክሃድሙ ይዳለዉ ከም ዘለዉ ዝሕበር ጽንጽንታ’ውን ኣብ ኣእዛን ኵሉ ሰብ በጺሑ ነይሩ’ዩ። እቲ መደበር ሓይሊ ኣየር ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ወተሃደራት ኣሜሪካ’ዩ ነይሩ። ክሳብ መዓስ’ዩ ከምኡ ኢሉ ክጸንሕ ግን ዝዀነ ዝግመቶ ኣይነበረን። መሓመድ “ኣብቲ ሓይሊ ኣየር ሓላፊና ዝነበረ ኮማንደር፡ ኵልና ፓይለታት ነተን ነፈርትን ሄሊኮፕተራትን ሒዝና ናብ ኡዝበኪስታን ክንከይድ ሓቢሩና” ይብል። በቲ ትእዛዝ ግን መሓመድ ኣይተሓጐሰን። “ኣዛዝየይ ንሃገረይ ክኸድዓ’ዩ ዝእዝዘኒ ነይሩ፤ ንኸምዚ ዓይነት ትእዛዝ'ከ ከመይ ኢለ ክቕበሎ እኽእል?” ይብል። መሓመድ ዝዀነ ስጕምቲ ቅድሚ ምውሳዱ ናብ ስድራኡ ብምድዋል ምኽሪ ሓቲቱ። ወላዲኡ፡ “እታ ሄሊኮፕተር ናይ ኣፍጋኒስታን’ያ” ብምባል ንሃገሩ ብምኽዳዕ ካብታ ሃገር እንተወጺኡ ንዘልኣለም ይቕረ ከም ዘይብለሉ ገሊጽሉ። መበቆል ዓዱ ትርከበሉ ኣብ ምብራቕ ኣፍጋኒስታን ትርከብ ዞባ ኩናር ድሮ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ጣሊባን ኣትያ ነይራ። ኣቦ መሓመድ ድሮ ናብ ኣመሓደርቲ እቲ ዞባ ደዊሉ ብምዝርራብ፡ መሓመድ ምስ ሄሊኮፕተሩ ናብቲ ዞባ እንተመጺኡ ዝጻብኦ ሰብ ከም ዘይህሉ ተሓቢርዎ። ካብዚ ብምብጋስ መሓመድ ብዛዕባ ምህዳም ክሓስብ ጀሚሩ፤ እንተዀነ እቶም ኣብታ ሄሊኮፕተር ኣባላቱ ዝዀኑ ሰባት ዝተርፉሉ ኣገባብ ከናዲ ነይርዎ። “ነፍሲ ወከፍ ብላክ ሃውክ ኣርባዕተ ኣባላት’ዮም ዘለዉዋ። በቲ ኣነ ዘውጻእክዎ ውጥን ክሰማምዑ ከም ዘይክእሉ ኸኣ ኣዝየ ርግጸኛ’የ ነይረ። ንህወተይ ኣብ ሓደጋ ብምእታው ነታ ሄሊኮፕተር ክዕንውዋ’ውን ምኽኣሉ ነይሮም” ይብል። ንህይወተይን ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘየእቱ ሓሳብ ከመንጩ ነይሩኒ። “ነቲ ኣዛዚና፡ እታ ሄሊኮፕተር ቴክኒካዊ ጸገማት ከም ዘለዋ ብምሕባር ሕጂ ክትበርር ከም ዘይትኽእል ነጊረዮ። እቶም ኣባላተይ ነዚ ምስ ሰምዑ ነነጢሮም ካብታ ሄሊኮፕተር ብምውራድ፡ ናብተን ካልኦት ናብ ኡዝበኪስታን ዝብገሳ ዝነበራ ሄሊኮፕተራት ከይዶም።\" ኵለን ሄሊኮፕተራት ምስ ከዳ፡ መሓመድ ንበይኑ ክፍትና’የ ብምባል ናብቲ 30 ደቓይቕ ጥራይ ዝወስደሉ ዞባ ኩናር በረራ ጀሚሩ። “ንኽፍሊ ምቁጽጻር በረራታት እቲ መደበር ሓይሊ ኣየር ኣሜሪካውያን’ዮም ዝቈጻጸርዎ ነይሮም። ብራድዮ ናብ ኡዝበኪስታን ይኸይድ ምህላወይ ብምሕባር፡ ቅሩብ ደቓይቕ ምስ ተጓዓዝኩ ራዳረይ ብምጥፋእ ትኽ ኢለ ናብ ኩናር ኣምሪሐ\" ኢሉ። ኣስዒቡ፡ “ኣብታ ዓደይ ኣብ ጥቓ ገዛና ዓሊበ፤ ካብ ጣሊባን ፍቓድ ምስ ተዋህበኒ ነታ ሄሊኮፕተር ዳግማይ ብምልዓል ናብቲ ሄሊኮፕተራት ነዳዲ ዝመልኣሉ ቦታ ወሲደያ” ይብል። ንዝወሰዶ ስጕምቲ ካብ ስድራኡ፡ ኣዕርኹቱን ጐሮባብቱን ምሉእ ደገፍ ከም ዝረኸበሉ’ዩ ዝሕብር። “እቶም ኣሜሪካውያን ኣማኸርቲ ሰለስተ ግዜ መልእኽቲ ጽሑፍ ሰዲዶምለይ። ዋላ ነታ ሄሊኮፕተር ገዲፍካ ምስ ስድራኻ ምጻእ ካብዚ ዓዲ ከነውጽኣካ ኢና ኢሎምኒ። ኣነ ግን ነቲ ዘቕረቡለይ ሕቶ ኣይተቐበልክዎን፡” ኢሉ። ኣብ መወዳእታ ሰነ 2021፡ ሓይሊ ኣየር ኣፍጋኒስታን 167 ሄሊኮፕተራትን ነፈርትን ከም ዝነበራኦ ሰነዳት ኣሜሪካ ይሕብር። እንተዀነ ካብዚአን እተን ዝበዝሓ ብየዕሩኽ መሓመድ ናብ ኡዝበኪስታንን ካልኦ ሃገራትን ግዒዘን’የን። 16 ነሓሰ ብሳተላይት ዝተሰኣለ ስእሊ፡ መዓርፎ ነፈርቲ ኡዝበኪስታን ኤም ኣይ 17፡ ኤም ኣይ 25 ፡ ብላክ ሃውክን፡  ኤ 29 ዝዓይነተን ልዕሊ 20 ሄሊኮፕተራት ዓሊበናኦ እንከለዋ የርኢ። ሕጂ ኣብ ኣፍጋኒስታን ክንደይ ሄሊኮፕተራት ኣብ ንጡፍ ስራሕ ከም ዘለዋ ዝተፈለጠ ነገር የለን። “ሕጂ ሓያለ ኣብ ስራሕ ዝርከባ ብላክ ሃውክ ኣለዋ። ኣፍጋናውያን መሃንዲሳት ብወሑድ ጸጋታት የዐርዮም ከም ዝሰርሓ ይገብሩወን ኣለው። ቀስ ብቐስ ከኣ ነተን ዝተረፋ’ውን ጸጊንና ከም ዝሰርሓ ክንገብረን ኢና” ይብል መሓመድ። ንሱ ነቶም ንብረት ኣፍጋኒስታን ሒዞም ናብ ካልእ ሃገር ዝኸዱ መሳርሕቱ ጌጋ ከም ዝገበሩ’ዩ ዝገልጽ። “እዞም ሄሊኮፕተራት ሒዞም ናብ ኡዝበኪስታን ዝኸዱ፡ ነዛ ሃገር’ዮም ጥራያ ኣትሪፎማ። እተን ሄሊኮፕተራት ናይ ኣፍጋኒስታን’የን፤ ኣዝየን ድማ ክቡራት’የን። ተመሊስና ንረኽበን’ውን ኣይመስለንን።” መሓመድ፡ ብኣሜሪካ ሰልጢኑ ናብቶም ኣንጻር ኣሜሪካ ዝዀኑ ጣሊባን ክብርቲ ሄሊኮፕተር ሒዙ  ምኻዱ ጌጋ ከም ዘይኮነ’ዩ ዝገልጽ። “መንግስታት ኵሉ ግዜ ይቐያየሩ’ዮም፡ ከምዚ ከማይ ዝዀነ ህዝቢ ኸኣ ናይ ሃገር’ዩ፤ ንሃገር ድማ’ዩ ዘገልግል። ወተሃደር ኣብ ፖለቲካ ኢዱ ከእቱ የብሉን፤ ሃገር ኣብ ከምዚ ከማይ ዝኣመሰለ ሞያውያን ብዙሕ ንዋት’ያ ኣፍሲሳ” ብምባል እቲ ዝወሰዶ ስጕምቲ ኣዝዩ ቅኑዕ ምንባሩ’ዩ ዝገልጽ። ዋላ’ኳ ጣሊባን ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት ንኣፍጋኒስታን እንተመርሓ፡ ዝዀነት ሃገር ከም ሕጋዊ መንግስቲ ኣይተቐበለቶን ዘላ። መሓመድ ግን ዋላ ከምኡ ይዅን ኣብ ሓሳቡ ጽኒዑ ከምዝኸይድ’ዩ ዝሕብር። “ክሳብ መወዳእታ ሕልፈት ህይወተይ በዚ ሞያይ ንሃገረይ ምግልጋል ክቕጽል’የ” ኸኣ ይብል - መሓመድ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cp4drvve9p4o"} {"headline":"ኣመሪካን ጣሊባንን ኣብ ዶሃ ዘካየድዎ ዘተ ዛዚሞም","content":"ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፡ ንኣፍጋኒስታን ገዲፋ ምስ ወጽአት ንፈለማ እዋን ምስ ጣሊባን ኣብ ከተማ ዶሃ ዝገበረቶ ዘተ ተዛዚሙ። እቲ ኣብ ኳታር-ዶሃ፡ ዝተገብረ ዘተ፡ ቀንዲ ትኹረቱ 'ኣኽረርቲ ሓይልታት' ምግታእ፣ ዜጋታት ኣመሪካ ምውጻእን ሰብኣዊ ረድኤት ምቕራብን ዝብሉ ይርከብዎም። ሰብ ስልጣን ኣመሪካ፡ እቲ ጉጅለ ብስርሑ ክምዘን እዩ እንተበሉ’ኳ፡ እቲ ዝተገብረ ዘተ ግን ካብ ልቢ ዝመነጨወ ከምዝነበረ ተዛሪቦም። ኣመሪካ ምስቲ ጉጅለ ዛካየደቶ ዘተ፡ ነቲ ጉጅለ ኣፍልጦ ከም ምሃብ ተገይሩ ክትርጎም የብሉን እያ ትብል። ጣሊባን፡ ሰንበት ምሸት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣመሪካ ንኣፍጋኒስታን ሰብኣዊ ረድኤት ክተቕርብ ተስማሚዓ ኢሉ። “ተወከልቲ ኣመሪካ ከምዝበልዎ፡ ንኣፍጋን ሰብኣዊ ረድኤት ከቕርቡ እዮም። ንካልኦት ትካላት ረድኤት ድማ ድጋፍ ክገብሩ እዮም” ይብል እቲ ካብ ጣሊባን ዝተውሃበ መግለጺ። እንተኾነ፡ ኣመሪካ ዛጊድ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪታ ዝሃበቶ ርእይቶ የለን። ወሃቢ ቃል ኔድ ፕራስ፡ ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ሰብኣዊ ረድኤት ምቕራብ ብዝምልከት ዘትዮም ካብ ምባል ሓሊፉ ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ። ጣሊባን፡ ‘ኢስላሚክ ስቴት ኢን ኮራሳን ፕሮቪንስ’ - ዝበሃል ጉጅለ ንምግታእ ምስ ኣመሪካ ቃል ከምዘይኣተወ እዩ ዝገልጽ። እንተኾነ፡ ኣብ ከተማ ዶሃ ዝርከብ ወሃቢ ቃል እቲ ጉጅለ፡ ሱሄል ሻሂ፡ በይኑ ንእስላማዊ ጉጅለ [ዳዒሽ] ከጥፈኦ ከምዝኽእል ንዜና ወኪል ሶሺዬትድ ፕሬስ ገሊጹ’ሎ። ‘ኢስላሚክ ስቴት ኢን ኮራሳን ፕሮቪንስ’ ዝተብሃለ ጉጅለ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ሰሜናዊ አፍጋኒስታን እትርከብ ከተማ ኩንዱዝ ኣብ ልዕሊ መስጊድ ብዘብጽሖ መጥቃዕቲ 50 ሰባት ከምዝሞቱ ጸብጻባት ይሕብሩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነተዚ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ፡ “ኣብዚ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ማእከል ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ሳልሳይ ቀታሊ መጥቃዕቲ እዩ። እዚ ኣዝዩ ዘስካሕኽሕ ዓመጻዊ ተግባር እዩ” ኢሉ። ብታሊባን ዝተሾመ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣፍጋኒስታን፡ ኣሚር ካን ሙታኪ ምስ ሰብ ስልጣን ኣመሪካ ዝገበርዎ ዝርርብ፡ ክልቲኦም ኣካላት ኣብ 2020ቨዝተፈረመ ውዕል ስምምዕ ዶሃ ጸኒዖም ንምኽባር ምስምመዖም ተዛሪቡ። እዚ ‘ውዕል ዶሃ’ እናተብሃለ ዝጽዋዕ ስምምዕ፡ ከም ዓልቃይዳ ዝኣመሰሉ ኣኽረረርቲ ጉጅለታት ረብሓታት ኣመሪካን መሻርኽታን ንሓደጋ ከየሳጥሑ ንምሕላው፡ ጣሊባን ስጉምቲታት ክወስድ ሓላፍነት ዘሸከመ እዩ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58868076"} {"headline":"ጣሊባን ንኣፍጋናውያን ንምፍርራሕ ኣብ ኣደባበይ ኣስከሬን ኣንጠልጢሎም","content":"ጣሊባን ንኣርባዕተ ጨወይቲ ሰባት ቀቲሎም፡ ሄራት ኣብ ዝተብሃለት ከተማ ኣብ ኣደባበይ ብምስቃል ንህዝቢ ኣፈራሪሖም። እዚ መሰንበዲ ትርኢት ዝተገብረ፡ ሓደ ኣዝዩ ኣኽራሪ መራሒ ጣሊባን ከም ናይ ኣደባበይ መስቀልትን ኣካላት ምቑራጽን ዝኣመሰሉ መቕጻዕቲ ተግባራዊ ከምዝግበሩ ምስ ኣጠንቀቐ እዩ። እቶም ሰብኡት ንሓደ በዓል ሃፍቲ ምስ ወዱ ምስ ዓገትዎ ንዕኡ ንምልቃቕ ኣብ ዝተገብረ ውግእ እዮም ተቐቲሎም ተባሂሉ። ገለ ነበርቲ እታ ከተማ ከምዝበልዎ፡ ኣብ ማእከል እታ ከተማ ብክሬን እዮም ነቶም ኣስከሬናት ሰቒሎምዎም። ዋዚር ኣሕመድ ሳዲቕ፡ ዝተባህለ በዓል ድንኳን፡ ንኣሶሼትድ ፕሬስ ከምዝበሎ፡ ኣርባዕተ ኣስከሬናት ጽዒኖም ኣምጺኦም፤ ሓደ ኣብቲ ንሱ ዝነብረሉ ከባቢ ዝሰቐልዎ ኾይኖም፡ “ነቶም ዝተረፉ ሰለስተ ድማ፡ ናብ ካልእ ማእከላት እታ ከተማ ወሲዶም ኣንጠልጢሎምዎም” ኢሉ። ምክትል ሓላፊ ግዝኣት ሄራት፡ ምዋልዊ ሻይር፡ እቲ ፍጻመ ካልኦት ተመሳሰልቲ ገበናት ንምክልኻል ዝዓለመ እዩ ኢሉ። ንሱ ወሲኹ ድማ፡ እቶም ሰብኡት፡ ንሓደ በዓል ሃፍቲ ምስ ወዱ ጨውዮምዎ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ዝተገብረ ልውውጥ ተኹሲ እዮም ተቐቲሎም፤ እቲ ኣቦ ምስ ወዱ ነጻ ወጺኡ ኣሎ ድማ ኢሉ። ቢቢሲ ናይቶም ሰባት ኣቀታትላ ብዝምልከት፡ ብባዕሉ ዝረኸቦ ጥሉል ሓበሬታ የለን። እንተኾነ፡ ኣዝዮም ኣጸያፊ ምስልታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተራእዮም እዮም። ንኣብነት ሓደ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ “ጨወይቲ ብኸምዚ እዮም ክቕጽዑ” ዝብል ጽሑፍ ኣብ ኣፍ ልቢ ናይቲ ሓደ ኣስከሬን ይረአ። ነሓሰ 15 ስልጣን ካብ ዝዓትሩ ጀሚሮም፡ ካብቲ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ስልጣን እናሃለዉ ዝኽተልዎ ኣዝዩ ተሪር ስርዓት ልሕልሕ ዝበለ ከምዝተኽሉ ቃል ኣትዮም ነይሮም። እንተኾነ ዛጊድ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት እታ ሃገር ቀሊል ዘይበሃሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸሙ ከምዘለዉ ጸብጻባት ይሕብሩ። ናይቲ ጉጅለ ኣዝዩ ኣኽራሪ ዝባሃል መራሒን ሓላፊ ሃይማኖታዊ ፖሊስን፡ ሙላህ ኑረዲን ቱራቢ፡ ሕዚ ሓላፊ ኣብያተ ማእሰርቲ እንትኸውን፡ ምቁራጽ ኣካላት ሓዊሱ ኣዝዮም መስካሕኻሕቲ መቕጻዕቲታት ተግባራዊ ከምዝገብሩ ተዛሪቡ ኣሎ። ንሱ ከምዝብሎ፡ ከምዚ ምግባር ንድሕነትን ጸጥታን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ምስ ኤፒ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሐትት፡ እዞም መቕጻዕታት ከምቲ ቅድሚ ሕዚ ኣብ 1990ታት ጣሊባን ኣብ ስልጣን እናሃለወ ኣብ ኣደባባይ ዝፈጸሞ ዘይክገብሮ ይኽእል እዩ ኢሉ። እቲ ጉጅለ ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሐሉ እዋን፡ ኣብ ስፖርታዊ ስተድዮም ካቡል ኮነ ኣብ መስጊድን ኣደባባይን ሰባት ብስቅላት ምቕታል ዝተለምደ እዩ ነይሩ። ተቓውሞታት ከምዝነበረ ኣመልኪቱ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ “ብዛዕባ እንኽተሎ ሕጊ ዝኾነ ሰብ ኣይነግረናን” ዝብል ምላሽ ሂቡ። በቲ ዝሓለፈ ተግባራቱ ኣብ ዝርዝር ማዕቀባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰፊሩ ዝርክብ እዚ በዓል መዚ “ኩሉ ሰብ ናህና ኣቀጻጽዓ ክቃወም ንርኢ፤ ንሕና ግን ናይ ማንም ሕጊ ኾነ መቕጻዕቲ ኣመልኪትና ተዛሪብና ኣይንፈልጥን” ኢሉ። እቲ ጉጅለ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ 9 ኣባላት ሓዛራ ዝተብሃሉ ንኡስ ቁጽሪ ዘለዎም ዓሌት ከምዝረሸኑ ኣምነስቲ ጸብጺቡ ነይሩ። ዋና ጸሓፊ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣግነስ ካማርድ፡ “እዚ ጭካነ ብዝተመልኦ ዝተፈጸመ ተግባር ናይቲ ጉጅለ ሕሉፍ ተግባራት ዘዘኻኽር እዩ” ኢሉ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58697587"} {"headline":"ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ባይቶ ኣፍጋን ኣበይ ኣተዋ?","content":"ጣሊባን ስልጣን ምስ ተቖጻጸረ ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ባይቶ ካብ ሞንጎ እቶም ኣሽሓት ካብታ ሃገር ናብ ስደት ዝወጽኡ እየን ኮይነን። ካብተን 69 ኣባላት ባይቶ ኣፍጋን እተን 60 ኣብ መላእ ዓለም ተበቲነን ኣለዋ፤ መብዛሕትአን ግን ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ክማጎታ ዕላማ ከም ዘለወን ቢቢሲ ከረጋግጽ ክኢሉ ኣሎ። ማሺድ [ትኽክለኛ ሽማ ኣይኮነን] ጣሊባን ስልጣን ኣብ ዝተቖጻጸርሉ ህሞት'ያ ተሓቢኣ። ብተኸታታሊ ንኽልተ መዓልቲ ኣብ ሓደ ገዛ'ውን ኣይሓደረትን። ኣብቲ ብዙሓት ሰባት ካብታ ሃገር ንምውጻእ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ዝጸቓቐጥሉ ዝነበሉን ልዕሊ ሓደ ግዜ'ውን ምፍንጃር ቦንባ ስለ ዘጋጠመን ስድራ ቤታ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ሒዛ ብምኻድ ኣብ ሓደጋ ከተእትዎም ስለ ዘይደለየት ካብታ ሃገር ክትወጽኣሉ እትኽእል ቀሊል መገዲ ኣይነበረን። \"ኩሎም ኣፍደገታት ኣፍጋኒስታን ተዓጽዮም\" ትብል። ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ መሬት ተሓቢኣ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ገጻ ሙሉእ ንሙሉእ ብቡርቃ ብምሽፋን ቅድሚ ክልተ ሰሙን ደቃ ሒዛ ኣብ ሓንቲ ኣውቶብስ ተሳፊራ። እዛ ውቶብስ መጀመርታ ናብ ከተማ ሄራት ክትወስዳ እንከላ ድሕሪኡ ናብ ዶብ ኢራን ኣብጺሓታ። \"ሓደ ነገር ብዛዕባ ባህሪ ጣሊባን፡ ጓል ኣንስተይቲ ዝተሸፈነ ገጻ ክትቐልዕ ኣየገድዱን\" ኢላ። ኣብቶም ጣሊባን ዘዳለዎም ናይ መፈተሺ ቦታታት መንነታ እንተዝፍለጥ ነይሩ ግን 'ብርግጸኝነት ክእሰር ነይረ' ክትብል ትዛረብ። እቶም ሰብ መዚ ግን ኣባላት ባይቶ ቡርቃ ክኽደና እየን ኢሎም ትጽቢት ስለ ዘይገብሩ \"ኩሎም ፖለቲከኛታትን ደቂ ኣንስትዮ ተሓለቕቲ መሰላትን ካብታ ሃገር ወጺኦም'ዮም\" ኢሎም ሓሲቦም ነይሮም ትብል። ንዓሰርተ መዓልታት ብኢራን ኣቢላ ድሕሪ ምጉዓዝ ሕጂ ቱርኪ ኣትያ ኣላ። እንተኾነ ሰብ መዚ ቱርኪ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ክህልዋ ከፍቅዱለይ'ዮም ዝብል ግምት ስለ ዘይብላ ኣብኡ ክትጸንሕ ኣይትደልን። ቢቢሲ፡ ካብተን 69 ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ባይቶ ኣፍጋን እተን ትሸዓተ ሕጂ'ውን ኣብታ ሃገር ተሓቢአን ምህላዎን ክፈልጥ ክኢሉ'ዩ። መብዛሕትአን ኣብተን ዜጋታት ካብታ ሃገር ንምውጻእ ዝጸቓቐጡለን ዝነበራ በረራታት ክወጽኣ ኽኢለን። ካብተን ሕጂ ኣብ ኤውሮጳ ዘለዋ 46 ደቂ ኣንስትዮ መብዛሕትአን ኣብ ግሪኽ፣ ኣልባኒያን ቱርክን ይርከባ። እተን ዝተረፋ ድማ ካብ ኣውስትራሊያ ክሳብ ቀጠር ኣብ ዘለዋ ዓሰርታት ሃገራት ዕቑባ ሓቲተን ኣለዋ። ሰሪና [ትኽክለኛ ሽማ ኣይኮነን] ምስ በዓል ቤታን ናይ ሰለስተ ወርሒ ቖልዓን ናብ ጀርመን ተሰጋጊራ። ካብ ኣፍጋኒስታን ቅድሚ ምውጽኣ ብሕማም ዓባይ ሰዓል ክትትሓዝ እንከላ ሕጂ ኣብቲ ዝተዓቖበትሉ መዓስከር ሓተትቲ ዕቑባ መድሃኒት ረኺባ። ካብ ሃገራ ክወጽእ'የ ዝብል ግምት ከምዘይነበራ እትገልጽ ሰሪና፡ ኣብቲ ቋንቁኡ ዘይትመልኾን ከይዳቶ ዘይትፈልጥን ሃገር ብምኻድ ከም ዝተደናገረት ትዛረብ። \"ኣዝዮም ከበድቲ መዓልታት ኣሕሊፈ'የ፤ ሕጂ'ውን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣለኹ። ኩሉ ኣፍጋኒስታናዊ ኣብታ ሃገር ብዙሓት ጸገማት ይሓልፍ ምህላው ክሓስብ እንከለኹ ግን ቓንዛይ ይርስዖ\" ትብል። ናብ ሃገራ ናይ ምምላስ ድልየት ከም ዘለዋ እትገልጽ ሳኒራ \"ኣብ መከራን ኲናትን'የ ዓብየ። እንተኾነ ውላደይ ኣብ ተመሳሳሊ ባህልን ስምዒት ሃገርን ዘለዎ ክዓቢ'የ ዝደሊ\" ትብል። መብዛሕትአን ኣባላት ባይቶ ናብ ካናዳ ክኸዳ ድልየት ኣለወን፤ ካናዳ ሓሙሽተ ሽሕ ስደተኛታት ክቕበል'የ ምባላ ይዝከር። ኣብ ዝኾነ ይኹን ግን ከም ማሺድ ዝበላ ኣባላት ባይቶ ኣፍጋን፡ ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዝገብርኦ ቃልሲ ክቕጽላ ይደልያ። ሓደ ካብኡ \"ባይቶ ኣብ ስደት\" ምጥያሽ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋን ዝበጽሑ ግህሰታትን ማሕበረሰብ ዓለም ክፈልጦ ምግባርን ኣብ ልዕሊ ጣሊባን ጸቕጢ ምፍጣርን ዕላማ ዝገበረ'ዩ። ሺንካይ ካሮክሄይል ቅድሚ ኣባል ባይቶ ኮይና ምምራጻ ኣምበሳደር ኣፍጋን ኣብ ካናዳ ነይራ። ሕጂ ኣብ ቶሮንቶ ዕቑባ ትሓትት ኣላ። ጣሊባን ብ15 ሰነ ነታ ሃገር ክቆጻጸር እንከሎ ዝነበረ ሸቐልቐል ዘኪራ ክትዛረብ እንከላ \"ኣነ ንጉሆ ስርሐይ ክስእን እንከለኹ ፕሬዝደንት ክኣ ድሕሪ ስዓት ስኢኑ\" ትብል። ሕጂ ደቂ ኣንስትኦ ኣባላት ባይቶ ኣፍጋን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ሃገረን ዝበጽሕ ግህሰት ንከብቅዕ ክሰርሓ እንተኾይነን ኣብ ሞንግአን ዘሎ ኣፈላላይ ንጎኒ ክገድፋ ኣለወን ትብል። \"ኩለና ዝተፈላለየ ቀዳምነታትን ፖለቲካዊ ድልየትን ሒዝና ንዝተፈላለየ ክፋላት ኣፍጋን ንውክል ነይርና፤ ሕጂ ግን ኩሉ ስኢንናዮ ኢና\" ኢላ። ስለ ዝኾነ ድማ \"ኩሉ ዘለና ኣፈላላያት'ውን ስኢንና ኣለና ማለት'ዩ። ሕጂ እቲ ዘገድስ ሃገር ምድሓን ከም ዝኾነ ተገንዚብና ነቲ ህዝብና ክንሕግዞን ንደቂ ኣንስትዮ ድምጺ ክንኾነነን ይግባእ\" ትብል። ኢሌይ ኢርሻድ፡ ኣብ ኣምስተርዳም ኣብ ሓንቲ ንኡሽቶ ገዛ ባህላዊ መግቢ ኣፍጋን ክተዳሉ ረኺብናያ። ነዚ ዘድልዩዋ ቅመማት ኣብ ድኳናት ክትረክብ እኳ እንተተጸገመት ከምቲ ክኸውን ዘለዎ ገይራ ክትሰርሖ ግን ግድን እዩ። \"ነቶም እኹል ዝብላዕ ዘይብሎም ገሊኦም ፈጺሙ መግቢ ዘይብሎም ህዝበይ'ዩ ዘዘክረኒ\" ትብል። ንሳ ኣባል ባይቶ ኣይነበረትን፤ ግን ቅድሚኡ ንልዕሊ 10 ዓመት ኣባል ባይቶ ኮይና ኣገልጊላ። ድሕሪኡ ወሃቢት ቃል ፕሬዝደንት ኣሽራፍ ጋህኒ ኮይና። ጣሊባን ነታ ሃገር ምስ ተቖጻጸሩ ሒሳብ ባንካ ኣደስኪሎምዎ፤ ተሓቢኣ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ወርሒ መስከረም ካብታ ሃገር ወጺኣ። ሕጂ ኣብ ውሽጢ ጣሊባን ብዘለዋ ገለ ርክባት ውሕስነት ክረክብ እየ ብዝብል ግምት ናብ ሃገራ ክትምለስ ትዳሎ ኣላ። \"ካብ ካልኦት ሃገራት ወይ ወጻኢ ኮይንካ ምስራሕ ኣጸጋሚ ስለ ዝኾነ ናብ ኣፍጋኒስታን ክንምለስ ኣለና። እቲ ፍታሕ ኣብ ኣፍጋኒስታን ኮይንካ እዩ ዝመጽእ፤ ስለዚ ኣብ ኣፍጋን ክንእልሾ ኣለና\" ትብል። ምስ ሓደ ኣብ መሰላት ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮን ኣጓላትን ዝነጥፍ ናይ ወጻኢ ዘይመንግስታዊ ትካል ክትሰርሕ ድማ መደብ ገይራ ኣላ። \"ካብቲ ጸገም እንተሃዲምኻ እቲ ጸገም ወትሩ ኣይለግስን\" ኢላ ትኣምን።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59612736"} {"headline":"ኣፍጋን፡ ኣብ ሆስፒታል ካቡል ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 20 ሰባት ተቐቲሎም","content":"ኣብ ርእሰ ከተማ ኣፍጋኒስታን ካቡል ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብረትን ቦንባን፡ ልዕሊ 20 ሰባት ተቐቲሎም፤ ብውሑዱ ሽድሽተ ሰባት ድማ ቖሲሎም። ሰብመዚ እታ ሃገር፡ እቶም ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ ኣካላት ንሆስፒታል ሳርዳር ዳውድ ክሃን ዒላማ ከም ዝገበሩ ገሊፆም። መሰኻኽር ዓይኒ፡ ዕጡቓት ናብ ታሕተዋይ ክፍሊ እቲ ሆስፒታል ሰይሮም ከም ዝኣተዉ ሓቢሮም። እስላማዊ ጉጅለ ኣይኤስ--ኬ (IS-K)፡ ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈፀመ ገሊፁ ኣሎ። ኣብቲ ህንፃ ዝነበረ ዶክተር ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፍፀመሉ እዋን፡ ኣብ ውሑስ ክፍሊ ክዕቆብ ተነጊሩዎ ክጸንሕ እንከሎ ተኹሲ ይሰምዕ ከም ዝነበረ ገሊፁ። ሳየድ ኣሃድ ካብ ሞንጎ እቶም ነትጒታት እቲ ሓደ መጥቃዕቲ ኣጥፊእኻ ምጥፋእ ከም ዝኾነ ንማዕኸን ዜና EVN ሓቢሩ። “ኣፍጋናዊ ዜጋ እየ። በዚ ኵናት ደኺመ፤ ርእሰ ቅትለትን ነትጒታትን….. ክሳብ መዓስ ኢና ነዚ ስቓይ ክንፃወሮ?” ኢሉ። ወሃቢ ቃል ጣሊባን ቢላል ካሪሚ፡ ዕጡቓት ኣይኤስ--ኬ (IS-K) ኣብ መእተዊ ፈላማይ ነትጒ ድሕሪ ምፍንጃሮም፡ ናብቲ ህንፃ ከም ዝኣተዉ ንቢቢሲ ገሊፁ። ሰራዊት ጣሊባን ሻቡ ንሻቡ፡ ኣርባዕተ ዕጡቓት ኣይኤስ--ኬ (IS-K) ብምቕታል፡ ንሓደ ኣብ ቀይዲ ከም ዘውዓሉ ድማ ሓቢሩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣፈኛ ጣሊባን ዛቢሁላህ ሙጃሂድ፡ ብሄሊኮፕተር ዝመፅኡ ፍሉይ ሓይሊ ጣሊባን እቶም ዕጡቓት ናብ ውሽጢ እቲ ሆስፒታል ከይኣትዉ ከም ዝገትእዎምን፡ ንኹሎም ኣብ መእተዊ እቲ ህንፃ ኣብ ውሽጢ 15 ደቓይቕ ከም ዝቐተልዎምን ንሮይተርስ ገሊፁ። መሰኻኽር ዓይኒ፡ ኣብቲ ከባቢ ክልተ ሄሊኮፕተራት ከም ዝረኣዩ ንሮይተርስ ተዛሪቦም። ኣይ ኤስ-ኬ (እስላማዊ መንግስቲ ግዝኣት ኮራሳን) ተባሂሉ ዝፅዋዕ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላትን ሓይልታት ጣሊባንን ንዝተፈፀሙ መጥቃዕትታ ሓላፍነት ክወስድ ምፅንሑ ይፍለጥ። ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ በቲ ጉጅለ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ 150 ሲቪላትን 13 ወተሃደራት ኣሜሪካን ከም ዝተቐተሉ ይዝከር። ሆስፒታል ሳርዳር ክሃን ግዳይ መጥቃዕቲ ኮይኑ እዚ ፈላማይ ኣይኮነን። ኣብ 2017 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብቲ ሆስፒታል ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 30 ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት 50 ድማ ቆሲሎም።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59145130"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን፡ ድሕሪ ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ፡ ጣሊባንን ኣመሪካን ፈላማይ ዘተ አካይዶም","content":"ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ሰራዊታ ካብ ኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምስሓባ፡ ንፈለማ እዋን ሰበስልጣን ኣመሪካ ምስ መራሕቲ ጣሊባን ብኣካል ተራኺቦም ዘትዮም፡፡ እቲ ኣብ ኳታር ዝተሳለጠ ዘተ ኣብ ምቁጽጻር ግብረ ሽበራውያን፣ ምግዓዝ ዜጋታት ኣመሪካን ሰራሕተኛታት ረድኤትን ዘተኮረ ምንባሩ ሰብመዚ ሓቢሮም፡፡ እንተኾነ ኣመሪካ ምስ ጣሊባን ምርኻባ ነቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝተመሰስረተ እስላማዊ መንግስቲ ኣፍልጦ ምሃብ ማለት ከምዘይኮነ እያ እትገልጽ፡፡ እቲ ኣኼባ ድሕሪ ጣሊባን ስልጣን ካብ ዝሕዝ ናብዚ፡ ኣፍጋኒስታን ዘጋጠማ ዝኸፈአ ነፍሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ እዩ ተኻይዱ። በቲ ኣብ ሰሜናዊት ከተማ ኩንዱዝ ኣብ መስጊድ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሑድ 50 ሰባት እንትሞቱ ልዕሊ 100 ቆሲሎም፡፡ ነቲ ውሑድ ቁጽሪ ዘለዎም ሰዓብቲ ሺዓ እስልምና ኣብ ዝግልገሉሉ መስጊድ ሰይድ ኣባድ ዝተፈጸመ ነፍሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ፡ ጉጅለ ኣይኤስ ሓላፍነት ወሲዱ ኣሎ፡፡ ብጣሊባን ዝተመረጸ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣፍጋኒስታን ኣሚር ክሃን ሙታቂ ፡ ኣብቲ ዘተ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ኣብ 2020 ዝተፈረመ ስምምዕ ዶሃ ከኽብሩ ከምዝተሰማምዑ ገሊጹ፡፡ እቲ ውዕል ጣሊባን ከም ኣልቃይዳ ዝበሉ ጉጅለታት ስግኣት ኣመሪካ ከይኾኑ ክከላኸል ሓላፍነት ዝህብ እዩ፡፡ ኣመሪካ ክታበት ኮሮናቫይረስን ሰብኣዊ ሓገዝን ኣብ ምብጻእ ከምእትሕግዝ ምግላጻ እውን እቲ ሚኒስተር ጉዳይ ወጻኢ ተዛሪቡ፡፡ ኣመሪካ ብዛዕባ እቲ ብቐዳም ዝተሳለጠ ዘተ ዝሃበቶ ምግለጺ እኳ እንተዘይሃለወ፡ ቅድም ክብል እቲ ዘተ ሰበስልጣን ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ክኽበሩ፣ ንኹሉ ዘሳተፈ መንግስቲ ክምስረትን ሰራሕተኛታት ረድኤት ክንቀሳቐሱን ክፍቀድ ኣብ ልዕሊ ጣሊባን ጸቕጢ ንምፍጣር ከምዝጥቀሙሉ ሓቢሮም ነይሮም፡፡ ጣሊባን ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ዘለዎ ርክብ ንምምሕያሽ ይጽዕር ከምዘሎ ዝገለጸ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እቲ ጉጅለ ግና፡ ዝኾነ ኣካል ኣብ ውሽጣዊ ፖሊሲታት ኢዱ ከእቱ ከምዘይብሉ ኣጠንቂቑ፡፡ እቲ ዘተ ሎሚ ሰንበት እውን ክቕጽል ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58861021"} {"headline":"ብዝሙት ዝተኸሰሱ ዝርከብዎም 12 ሰባት ኣብ ቅድሚ ሓፋሽ ተገሪፎም- ጣሊባን","content":"ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 12 ሰባት፡ ኣሽሓት ህዝቢ ኣብ ዝተረኸቡሉ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ከምዝተገረፉ ተገሊጹ፡፡ ሓደ በዓል ስልጣን ጣሊባን ንቢቢሲ ከምዝገለጾ እቶም ውልቀ ሰባት ዝሙት፣ ስርቂ፣ ወሲብ ምስ ተመሳሳሊ ጾታን ብዝርከቡዎም ‘‘ገበናት ስነ ምግባር’’ ጥፍኣተኛ ዝተባህሉ እዮም፡፡ እቲ እስላማዊ ጉጅለ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብመግረፍቲ ክቐጽዕ፡ ኣብዚ ወርሒ ንካልኣይ ግዘ ከምዝኾነ እዩ ዝእመን፡፡ እቲ ስጉምቲ፡ ጣሊባን ናብቲ ኣብ 90ታት ዝነበሮ ጽኑዕ ኣገዛዝኣ ይምለስ ምህላዉ ምልክት ክኸውን ከምዝኽእል ይግለጽ፡፡ ኣብታ መግረፍቲ ዝተፈጸመላ ግዝኣት ሎጋር፡ ወሃቢ ቃል ጣሊባን ዝኾነ ዑመር መንሱር ሙጃሂድ፡ እተን ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ድሕሪ እቲ መግረፍቲ ነጻ ከምዝተለቐቓ ገሊጹ፡፡ ገለ ካብቶም ደቂ ተባዕትዮ ግን ተኣሲሮም ምንባሮም እኳ እንተገለጸ ብዝሖም ኣየነጸረን። እቶም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፡ ነፍሲ ወከፎም፡ ካብ 21 ክሳብ 39 በትሪ እዮም ተገሪፎም፡፡ ሓደ ሰብ ክፍረዶ ዝኽእል ዝለዓለ መግረፍቲ፡ 39 ከምዝኾነ ካልእ በዓል መዚ ጣሊባን ተዛሪቡ፡፡ ኣብ ግዝኣት ታክሃር እውን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 19 ሰባት ብተመሳሳሊ ብመግረፍቲ ከምዝተቐጽዑ ጸብጻባት ሓቢሮም፡፡ ላዕለዋይ መራሒ ጣሊባን ሂባቱላህ ኣኩንዳዛ፡ ኣብያተ ፍርዲ ንገለ ገበናት፡ ብመሰረት ሸሪዓ ፍርዲ ክህቡ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ምእዛዙ ስዒቡ እዩ እቲ ናይ ግዝኣት ሎጋር መግረፍቲ ተፈጺሙ ዘሎ፡፡ ዋላኳ ሰብ መዚ ጣሊባን ነየናይ ገበን እንታይ መቕጻዕቲ ዝብል እንተዘየነጸሩ፡ ትርጉም ናይቲ እስላማዊ ሕጊ ግን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብሞት ምቕጻዕ፣ ኣካላት ምቑራጽን ብእምኒ ምቕጥቃጥን ዘጠቓልል እዩ፡፡ ትእዛዝ እቲ መራሒ፡ ጣሊባን መሰላትን ናጽነትን ዝዕፍኑ ከቢድቲ መርገጺታ ይወስድ ምህላዉ ዘመልክት ናይ ቀረባ ምዕባለ እዩ፡፡ ሰብመዚ ጣሊባን ካብ 1996 ክሳብ 2001 ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበሩሉ፡ ኣብ ሃገራዊ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ካቡል ቀጻሊ መቕጻዕትታት መግረፍትን ቅትለትን ብምፍጻም ይውቀሱ ነይሮም፡፡ እቶም ሰብ መዚ ድሕሪ 20 ዓመት፡ ናብ ስልጣን ኣብ ዝተመለሱሉ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ከቢድ ጸቕጢ ከምዘይደግምዎኳ ቃል ኣትዮም እንተነበሩ፡ ሕዚ እውን መሰላት ደቂ አንስትዮ ብኸቢድ ተገዲቡ እዩ ዘሎ፡፡ መሰለን ክኽበር ዝሓተታ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ እውን ተገሪፈን እየን፡፡","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c2e9q306gq0o"} {"headline":"ጣሊባን፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ከይመሃራ ከልኪሉ","content":"ንኣፍጋኒስታን ዝመርሕ ዘሎ ጉጅለ ጣሊባን፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት እታ ሃገር ክመሃራ ንዝጸንሓ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኣገደ፡ ካብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝወጸ ደብዳበ ኣፍሊጡ፡፡ እቲ ክልከላ ቀጻሊ ስጉምቲ ክሳብ ዝውሰድ ከምዝጸንሕ እቲ ሚኒስትሪ ዝሓበረ ኮይኑ፡ ቀልጢፉ ተግባራዊ ከምዝኸውን ይግመት፡፡ ሓድሽ ውሳነ ጣሊባን፡ ነተን ብብዝሒ  ካብ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ተኸልኪለን ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋኒስታን ስሩዕ ትምህርቲ ናይ ምርካብ ዕድለን ብዝያዳ ዘጽብብ እዩ፡፡ ሓንቲ ቢቢሲ ዘዘራረባ ተምሃሪት ዩኒቨርሲቲ ካቡል፡ ነቲ ዜና ካብ እትሰምዕ ንደሓር ክትበክይ ከምዝቐነየት ገሊጻ፡፡ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብኣሻሓት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ናይ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ፈተና ወሲደን እየን፡፡ ኮይኑ ግና ኣብ ዩኒቨርሲቲ ክመሃረኦ ዝኽእላ ዓውዲ ኣዝዩ ውሱን እዩ። ከም ሕክምና እንስሳት፣ ምህንድስና፣ ስነ ቁጠባን ሕርሻን ዝኣመሰሉ ክመሃራ ዘይፍቀደን ኮይኑ፡ ጋዜጠኝነት እውን ኣዝዩ ውሱን እዩ፡፡ ጣሊባን ናብ ስልጣን ካብ ዝተመለሰሉ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ፡ ዩኒቨርሲቲታት እታ ሃገር ደቂ ተባትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ዝተፈላለየ መመሃሪ ክፍሊታት ክመሃሩ ከምኡ እውን ነናይ ባዕሎም መእተዊ በሪ ክጥቀሙን ገይረን ኣለዋ፡፡ ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ፡ ብደቂ ኣንስትዮ ወይ ዕድመ ዝደፍኡ ተባዕትዮ መምህራን ጥራሕ እየን ክመሃራ ዝኽእላ፡፡ ነቲ ሐዚ ተነቢሩ ዘሎ ክልከላ ብዝምልከት ቢቢሲ ዘዘራረባ ተምሃሪት ዩኒቨርሲቲ፡ እቲ ምኽንያት እቲ ጉጅለ ኣብ ደቂ ኣንስትዮን ዓቕመንን ካብ ዘለዎ ፍርሒ ዝነቅል ከምዝኾነ ትኣምን፡፡ ‘‘ነታ ምስ ሕልመይ ክተራኽበኒ እትኽእል ብሕታዊት ድልድል ኣፍሪሶምዋ’’ ኢላ፡፡ ‘‘ተማሂረ መጻእየይ ከምዝቕይር ወይ ህይወተይ ብርሃን ከምዝረክብ ኣሚነ ነይረ፤ ግን ኣዕንዮምዎ’’ ክትብል'ውን ተዛሪባ። ዓውዲ ትምህርቲ ኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምምላስ ጣሊባን ከቢድ ዕንወት ዝበጸሖ ኮይኑ፡ ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ ስዒቡ ድማ ብዙሓት ምሁራት እታ ሃገር ተሰዲዶም፡፡ ቢቢሲ ዘዘራረባ ካልአይቲ ጓል ኣንስተይቲ ድማ፡ እቲ ጉጅለ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ጀሚሩ፡ ትምህርታ ንምቕጻል ብዙሓት ጸገማት ከምዘጋጠምዋ ትገልጽ፡፡ ‘‘ምስ ኣሓዋትና፣ ኣቦታትና፣ ማሕበረሰብ ዋላ እውን መንግስቲ ተቓሊስና፤ ትምህርትና ንኽንቅጽል ብከቢድ ኩነታት ሓሊፍና’’ ክትብል ተዛሪባ። ‘‘ሽዑ ብውሑድ ካብ ዩኒቨርሲቲ ክምረቕን ሕልመይ ከዐውትን ይኽእል እየ ብዝብል ሕጉስቲ ነይረ፡፡ ሐዚ ግን ንውሽጠይ ብኸመይ ከእምኖ ይኽእል?’’ ኢላ'ውን ትሓትት። ካብ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ፡ ቁጠባ ኣፍጋኒስታን ኣብ ናይ ወጻኢ ሓገዝ ተመርኲሱ እዩ  ጸኒሑ፡፡ ኮይኑ ግና ጣሊባን ደቂ ኣንስትዮ ናይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ከይከታተላ ምኽልካሉ ስዒቡ፡ ሓገዝቲ ኣካላት ንጽላት ትምህርቲ እታ ሃገር ዝገብርዎ ዝነበሩ ደገፋት ብኽፋል ገሊኦም ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ደው ኣቢሎምዎ፡፡ ብዙሓት መምህራን ንኣዋርሕ መሃያ ኣይተኸፈሎምን፡፡ እቲ ሐዚ ተገይሩ ዘሎ ክልከላ ድማ ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ተወሳኺ ሻቕሎት ዝፈጥር እዩ፡፡ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን፡ እቲ ጉጅለ ኣፍልጦ ክረክብ እንተኾይኑ፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮ ምምሕያሽ ክገብር፡ ከም ወሳኒ ቅድመ ኩነት ኣቐሚጠነኦ እየን፡፡ ምክትል ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሮበርት ዉድ፡ ነቲ ሓድሽ ክልከላ ኮኒንዎ'ሎ፡፡ ‘‘ጣሊባን መሰል ኩሎም ኣፍጋናውያን ክሳብ ዘኽብር፡ ሕጋዊ ቅቡልነት ዘለዎ ኣካል ማሕበረሰብ ዓለም ክኸውን ትጽቢት ክገብር ኣይኽእልን’’ እውን ኢሉ፡፡ ጣሊባን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር እስላማዊ ሕጊታት ኣይተኸበሩን ብዝብል፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ካቡል ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ናብ መዘናግዒ ቦታታት ከይኣትዋ ምኽልካሉ ይዝከር፡፡","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c7272480z04o"} {"headline":"ኣፍጋን፡ ጣሊባን ደቂኣንስትዮ ኣብ ናይ ቴሌቪዥን ተዋስኦ ከይሳተፋ ኣጊዱ","content":"ምምሕዳር ጣሊባን ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋኒስታን ኣብ ቴሌቪዥን ከይረኣያ ዝኽልክል ሓድሽ ሕጊ ደንጊጉ። ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታትን ኣቕረብቲ ዜናን’ውን፡ ኣብ ቴሌቪዥን እንትቐርባ መሃረብ ርእሲ ክሽፈና ዝተኣዘዛ ኮይነን፡ እንታይ ዓይነት መሸፈኒ ርእሲ ዝብል ግን ኣብቶም መምርሕታት ብግልፂ ኣይተቐመጠን። እንተኾነ ጋዜጠኛታት፡ ገሊኦም መመርሕታት ዘይንፁራትን ዝተፈላለየ ትርጓመታት ዘስዕቡን ከምዝኾኑ ገሊፆም። ብዙሓት፡ እቶም ኣብ ዝሓለፈ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ስልጣን ዝሓዙ ጣሊባን፡ ቀስ ብቐስ ጨካናት መመርሕታት የንብሩ ኣለዉ ዝብል ስግኣት ኣለዎም። ሓይልታት ኣሜሪካን መሻርኽታን ካብ ኣፍጋኒስታን ምስሓቦም ስዒቡ ስልጣን ዝጨበጠ እቲ ብደቂ ተባዕትዮ ጥራሕ ዝምራሕ እስላማዊ ጉጅለ፡ ኣጓላትን መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮን ትምህርቲ ኣብኵረን ኣብ ገዛ ኮፍ ክብላ እዩ መምርሒ ኣውሪዱ። ኣብቲ ኣብ 1990ታት ዝነበረ መምርሒ ጣሊባን’ውን፡ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ትምህርትን ናይ ስራሕ ቦታን ተኣጊደን ምንባረን ይዝከር። እዞም ብጣሊባን ወግዓዊ ኮይኖም ዘለዉ ንቴሌቪዥናት ኣፍጋኒስታን ዓሊሞም ዝወፅኡ ሓደሽቲ ሓፈሻዊ መምርሕታት ሸሞንተ ሕጋጋት ኣለዎም። እዞም ሕግታት ኣንፃር ሕግታት ሸሪዓ፣ ሕግን ክብርታትን ኣፍጋኒስታን ዝኾኑ ፊልምታት’ውን ኣብ ግምት ዘእተዉ ኮይኖም፡ ውሽጣዊ ሰብነት ደቂ ተባዕትዮ ዘርእዩ ፊልምታት’ውን ፍፁም ዝተኸልከሉ’ዮም። ንሃይማኖት ዝፀርፉ ኮሜዲታትን ናይ መዘናግዒ መደባትን ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ኣፍጋኒስታን መጥቃዕቲ ዝኸፍቱ ተባሂሎም ዝሕሰቡ መደባት ምምሕልላፍ'ውን ኣይፍቀድን። ካብዚ ሓሊፉ ናይ ወፃኢ ሃገራት ባህላዊ ክብርታት ዘርእዩ ፊልምታት’ውን ከይረኣዩ ኣጊዱ ኣሎ። መብዛሕትአን ቴሌቪዥናት ኣፍጋኒስታን ደቂ ኣንስትዮ ቀንዲ ገፀ-ባህሪያት ኮይነን ዝዋስኣሉ ድራማታት እየን ዘቃልሓ። ኣባል ማሕበር ጋዜጠኛታት ኣፍጋኒስታን ሁጃቱላህ ሙጃደዲ፡ እዚ ሓድሽ መምርሕታት ትፅቢት ዘይተገበረሉ ምዃኑ ገሊፁ። ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ገለ እቶም ሕግታት ተግባራዊ ኣይነበሩን፤ ሕዚ እንተድኣ ተተግቢሮም ግና መራኸብቲ ሓፋሽ ክዕፀዋ ዘገድድ እዩ ኢሉ። ከንቲባ ከተማ ካቡል ድማ ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት እቲ ምምሕዳር ኣብ ገዝአን ኰፍ ክብላ ኣዚዙ፤ ናብ ቤት-ፅሕፈት ክመፅኣ ዝኽእላ ደቂ ኣንስትዮ፡ ስርሐን ብደቂ ተባዕትዮ ክስራሕ ዘይኽእል እንተኮይኑ ጥራሕ ምዃኑ ድማ ሓቢሩ። ጣሊባን እቲ ኣብ ስራሕን ትምህርትን ደቂ ኣንስትዮ ዘንብሮ ዘሎ እገዳታት፡ ናይ ስራሕን ትምህርትን ከባብታት ንዐአን ውሑሳት ክሳብ ዝኾኑ፡ “ንግዚኡ” ዝተነብረ እገዳ ከም ዝኾነ እዩ ዝገልፅ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59370995"} {"headline":"ጀነራላት፡ 2500 ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ፍጋኒስታን ክጸንሑ ንጆ ባይደን መኺሮም ነይሮም","content":"ክልተ ላዕለዎት ጀነራላት ኣመሪካ፡ እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ሰራዊታ ካብ ኣፍጋኒስታን ቅድሚ ምውጻአ፡ 2500 ወተሃዳራት ኣብኡ ክጸንሑ ንፕረዚደንት ጆ ባይደን ምኽሪ ለጊሶም ከም ዝነበሩ ኣፍሊጦም። ጀነራል ማርክ ሚሌይን ጀነራል ፍራንክ ማክኬንዚን ንኮንግረስ ኣብ ዝሃብዎ ምስክርነት ፕረዚደንት ጆ ባይደን 'ከምዚ ዓይነት ማዕዳ ኣይሰማዕኹን' ምስ ዝብል ሓሳቡ ዝጋጮ እዩ ተባሂሉ። ኣመሪካ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ሰራዊታ ካብ ኣፍጋኒስታን ምስ ኣውጸአት፡ ጣሊባን መላእ እታ ሃገር ንምቁጽጻር ግዜ ኣይወሰደሉን። ጀነራል ሚሌይ፡ ኣመሪካ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ቐልጢፉ ክወድቕ እዩ ዝብል ግምት ከም ዘይነበራ ተዛሪቡ። ክልቲኦም ጀነራላት ኣመሪካ፡ ምስ ሓላፊ ምክልኻል እታ ሃገር ልሎይድ ኦስሊን፡ ካብ ቤት ምኽሪ ኮሚቴ ጸጥታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ሕቶ ቐሪብሎም ነይሩ። እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ መንግስታት ወጻኢ ዜጋታቶም ካብታ ሃገር ንምውጻእን ተሰፋ ዝሰኣኑ ዜጋታት ኣፍጋኒስታን ክወጽኡ እንትጸቓቐጡን ድሕሪ ምርኣይ ሰሙናት ጸኒሑ እዩ። ካብ ርእሰ ከተማ ካቡል ሰባት ንምውጻእ ኣብ ዝነበረ ጉያ፡ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ህይወት 128 ሰባት ከም ዝሞቱ ይዝከር። ካብቶም 13 ወተሃደራት ኣመሪካ ዝርከቡዎም ኣፍጋኒስታውያን ብ20 ነሓሰ 2021 እዮም ተቐቲሎም። ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ናይ ምውጻእ ስራሕቲ ዝከታተል ዝነበረ ጀነራል፡ ኣዛዚ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ጀነራል ማክኬንዚ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን 2500 ወተሃደራት ክጸንሑ ንፕሬዝደንት ባይደን ምክረ-ሓሳብ ሂበ ነይረ ኢሉ። እንተኾነ እዚ ናይቲ ጀነራል ሓሳብ፡ ጆ ባይደን 19 ነሓሰ ንጋዜጠኛታት ኤቢሲ ምስ ዝሃቦ ሓሳብ ዝቃረን እዩ ተባሂሉ። ጆ ባይደን፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ወተሃደራት ይጽንሑ ዝብል ሓሳብ ከም ዝቐረበ ኣይዝክርን እዩ ኢሉ። ጀነራል ሚሌይ ብወገኑ፡ 2500 ወተሃደራት ኣብ ኣፍጋኒስታን ይጽንሑ ምስ ዝብል ሓሰብ ተሰማሚዑ፡ መግለጺ ጆ ባይደን 'ሓሰት ነይሩ ማለት ድዩ' ንዝብል ሕቶ ግን ምላሽ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ። እንተኾነ፡ ናይቶም ጀነራላት ምስክርነት ስዒቡ ወሃቢት ቃል ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ዋይት ሃውስ ጀን ፕሳኪ ምላሽ ሂባትሉ ኣላ። ንሳ፡ \"ፕረዚደንት ንሰራዊትን ንላዕለዎት ኣዘዝቱን ሓሳብ ልዑል ዋጋ ይህብ እዩ፤ እንተኾነ ኩሉ ግዜ ብናታቶም ሓሳብ ይስማማዕ ማለት ኣይኮነን\" ኢላ። ወሲኻ ድማ፡ ድሕሪ እቲ ዝተቐመጠ ናይ ግዜ ገደብ ወርሒ ነሓሰ፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን እንተዝጸንሑ፡ ሕዚ ኣመሪካ ምስ ጣሊባን ኣብ ኲናት ነይራ ማለት እዩ ኢላ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58717091"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን፡ ጣሊባን ደቂ ኣንስትዮ ገጸን ሙሉእ ዝሽፍን ክዳን ክኽደና ኣዚዙ","content":"ጣሊባን ዘውጸኦ ደቂ ኣንስትዮ ገጸን ሙሉእ ብሙሉእ ክሽፈና ዘገድድ ሕጊ፡ ኣብቲ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ክዳን ዝገዝኣሉ ከተማ ካቡል ዝርከብ ዕዳጋ ላይሲ ማርያም፡ ብዙሕ ዝተሰምዐ ኣይመስልን፡፡ ገሊአን ነቲ ጣሊባን ንፈለማ እዋን ኣብ 1990 ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ደቂ ኣንስትዮ ክኸደናኦ ዝኣዘዞ ምሉእ ሰብነተን ዝሽፍን ሰማያዊ ክዳን (ቡርቃ) ተኸዲነን ይንቀሳቐሳ ኣለዋ። ገሊአን ድማ ጸጕሪ ርእሰን ዝሽፍን ሻርባ ገይረን ገጸን ግን ይረአ። \"ዋላ ናብ ስዑዲ ዓረብ ንሃይማኖታዊ ጕዕዞ እንተኸደካ ገጽካ ክትሽፈን ግድን ኣይኮነን፡\" ትብል ሓንቲ ካብተን ዓደግቲ። ዘበናዊ ፋሽን ዝተኸደነት ተማሃሪት ዩኒቨርሲቲ ፋጡማ ድማ፡ \"ሰባት ናጻ እዮም ዝውለዱ፤ ማንም ብዛዕባ ክዳን ደቂ ኣንስትዮ ክዛረብ መሰል የብሉን፡\" ትብል። ኣብታ ዓቃባዊት ሃገር ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ቡርቃ እየን ዝኽደና፤ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ግን ጸጕረን ጥራሕ ዝሽፍን ሻርባ ዝገብራ ደቂ አንስትዮ ምርኣይ ልሙድ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ተመሊሱ ስልጣን ዝሓዘ ጣሊባን፡ ክሳብ ትማሊ ቐዳም ኣከዳድና ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ሓድሽ ሕጊ ኣየውጸአን ጸኒሑ። ትማሊ ግን ኵለን ደቂኣንስትዮ፡ ህዝቢ ኣብ ዘለዎ ከባቢ ገጸን ምሉእ ብምሉእ ክሽፈናን፡ ነዚ ዘይፍጽማ ድማ ቅጽዓት ከም ዝጽበየንን ኣፍሊጡ ኣሎ። እቲ መቕጻዕቲ ሰብመዚ ጣሊባን ሓላፍነት'ታ ጓል ኣንስተይቲ ዝወስድ ወዲ ተባዕታይ፡ ናብ ገዛኡ መጺኦም ክግምግምዎ ዘጠቓልል ኮይኑ፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ኣከዳድናኣ ነቲ ሕጊ ዘየማልእ እንተኾይኑ እቲ ሓላዊ ናብ ሓለፍቲ ክጽዋዕን ኢሉ እውን ክሳብ ማእሰርቲ ሰለስተ መዓልትን ናብ ፍርዲ ምቕራብን ይጽበዮ፡፡ ወሃቢ ቃል ናይቲ ነዚ ተግባር ክቈጻጸር ዝቘመ ሚኒስትሪ፡ ኣኪፍ ሙሃጂር፡ እቲ ሕጊ ኣብ ቅዱስ ቁርኣንን ህይወት ነቢይ መሓመድን መሰረት ዝገበረ ከም ዝኾነ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ብዙሓት እስላም ኣብ ኣተረጓምጕማ ዝፈላለዩ'ኳ እንተዀኑ፡ ሙሃጂር ግን ምሽፋን ገጽ \"ኣገዳዲ\" ኣካል እቲ ሃይማኖት ከም ዝኾነ እዩ ዝምጉት። ኣብቲ ኣከዳድና ምስቲ ጣሊባን ዘውጸኦ ሕጊ ዘይሰማምዓ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋኒስታን፡ ሓደ ሚእታዊት ጥራሕ ከም ዝኾና እውን ይገልጽ። ''እዚ ሕጊ ናይታ እስላማዊት ኢማራት ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ትእዛዝ ኣምላኽ እውን እዩ፡\" ይብል። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መብዛሕትኦም እስላም፡ ምሽፋን ገጽ ከም ኣገዳዲ ኣካል እቲ ሃይማኖት ገይሮም ኣይርእይዎን። ኣብ ፈለማ ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ተቐያያሪ ዝመስል ምልከታ ዝነበሮ ጣሊባን፡ ካብ ቀረባ እዋናት ግን፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዘይብሉ መዓልቲ ናብ መዘናግዒ ቦታታት ክኸዳን፡ ነዊሕ ጕዕዞ ብዘይ ወዲ ተባዕታይ ንበይነን ከይጓዓዛን ዝኽልክሉ ተረርቲ ሕጊታት ኣውጺኡ ኣሎ። ብተወሳኺ ጐራዙ ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለሳ ዘይተፈቐደለን ኮይኑ፡ ኣብ ትምህርትን ጥዕናን ዝሰርሓ ገለ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ስራሕ ክምለሳ'ኳ እንተ ተፈቐደ፡ ካልኦት ብዙሓት ገና ናብ ስርሐን ኣይተመለሳን። ብዙሓት ምዕራባውያን ዲፕሎማሰኛታት፡ ነታ ሃገር ዝግበር ሓገዛት፡ እቲ ጕጅለ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዘለዎ ኣተሓሕዛ ዝምርኮስ ከም ዝኾነ እዮም ዝገልጹ። ጣሊባን ግን ኣብ እምነተይ ዝምልከት ምዕራባውያን ጸቕጢ ክገብሩ ኣይግባእን በሃላይ እዩ። እዞም ስጕምቲታት፡ ንጻዕሪ እተን ንዝሓለፋ 20 ዓመታት ኣብ ኣፍጋኒስታን ለውጢ ንምምጻእ ዝተቓለሳ ትካላትን ጐስጐስትን ንድሕሪት ዝመልስ ይመስል። ማሕቡባ ስራጅ፡ ሓንቲ ካብ ፍሉጣት ጐስጐስቲ \"ሚልዮን ጸገማት ኣለና፣ ደቂ ኣንስትዮ ኣይኮናን እቲ ጸገም፡ ኣብያተ ትምህርቲ ክኽፈታ ኣለወን፣ ስድራቤታት ስራሕ ክረኽቡ ኣለዎም፣ ኣብ መላእ እታ ሃገር ጥምየት ኣሎ፣ ኣጥፊእካ ምጥፋእ ኣሎ፣ ነዚ ኣብ ክንዲ ምፍታሕ ግን፡ ደድሕሪ ደቂ ኣንስትዮ እዮም ዞኽ ዞኽ ዝብሉ፡\" ብምባል ነቲ ስርዓት ነቒፋ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61369626"} {"headline":"ጣሊባን፡ ናብ ስልጣን ካብ ዝምለስ ፈላማይ ቅጽዓት ማሕነቕቲ ኣካይዱ","content":"ጉጅለ ጣሊባን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ስልጣን ካብ ዝምለስ ንደሓር፡ ፈላማይ ናይ ኣደባባይ መቕጻዕቲ ማሕነቕቲ ኣካይዱ። ኣብ ደቡባዊ  ምዕራብ ምምሕዳር ፋራህ ኣብ ዝርከብ ናይ ስፖርት ስታድዩም፡ ታጅሚር ዝተባህለ ሰብኣይ ሰብ ምቕታሉ ምስተኣመነ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከምዝተሰቕለ ኣፈኛ ጣሊባን ኣፍሊጡ። ኣብቲ ስቕለት ኣዝዮም ብዙሓት መራሕቲን ላዕለዎት ሚኒስተራትን ናይቲ ጕጅለ ተሳቲፎም። ኵሎም ደያኑ ንሕጊ ሸሪዓ ብጥብቂ ክኽተልዎ ዝተዋህቦም መምርሒ ስዒቡ እዩ እዚ ዝኸውን ዘሎ። ላዕለዋይ መራሒ ጣሊባን ሃይባቱላህ ኣኩሁንደዝዳ፡ ደያኑ ነቲ ኣብ ኣደባባይ ምሕናቅ፡ ምቝራጽን ብዳርባ እምኒ ምቕታልን ዘጠቓለለ መቕጻዕቲታት ሕጊ ሸሪዓ ክኽተሉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እዩ ትእዛዝ ሂቡ። ይዅን እምበር ን ከመይ ዓይነት ገበን እንታይ መቕጻዕቲ ከም ዝወሃቦ ጣሊባን ብዕሊ ኣይገለጸን። እዚ ወተሃደራዊ እስላማዊ ጕጅለ ካብቲ ካብ 1996-2001 ቅድሚ ሕጂ ኣብ ስልጣን እንከሎ ዝኽተሎ ዝነበረ ተሪር ኣመራርሓ፡ ዝፈዀሰ ኣገባብ ከምዝጥቀም ቃል ኣትዩ'ኳ እንተነበረ፡ እዚ ብረቡዕ ከም ዝገበርዎ ዝሓበሩ ናይ ምቕታል ስጕምቲ ግን እቲ ጕጅለ ናብቲ ናይ ቀደሙ ሕሉፍ ሕጊ ሸሪዓ ናይ ምኽባር ይምለስ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ። እዚ ጕጅለ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ግዝኣት ሎገር ካልኦት ዓሰርተታት ሰባት ኣብ ኣደባባይ ረሺኑ'ኳ እንተነበረ፡ ይርሽን ከም ዘሎ ብወግዒ ዝእመን ዘሎ ግን ንፈለማ ግዚኡ እዩ። ብመስረት ኣፈኛኦም ብዘይካ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓሰን እኩድ ኣብቲ መስርሕ ፍርዲ ዝተፈላለዩ ደያኑ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሚኒስተር ሚኒስትሪ ፍትሕን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ዝርከብዎም ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሚኒስተራት ከምዝተሳተፉ ሓቢሮም። እዚ ታጃር ዝተባህለ ውልቀሰብ ተቐማጢ ግዝኣት ሄራት፡ ቅድሚ 5 ዓመት ንሙስጠፋ ዝተባህለ ሰብ ብኻራ ወጊኡ ብምቕታሉን ኣብ ሰለስተ ናይ ጣሊባን ኣብያተ ፍርዲ ብምኽሳሱን መቕጻዕቱ ብሙላህ ኣክሁንዱዛዳ እዩ ጸዲቑ። እቲ ብይን ቅድሚ ምፍጻሙ ድማ ነቲ ፍጻመ ኵሉ ሰብ ክዕዘቦን ኵሎም ዜጋታት ኣብቲ ሜዳ ስፖርት ክሓብሩን ወግዓዊ ሓበሬታ ተመሓላሊፉ ነይሩ። ኣደ እቲ ብኻራ ተወጊኡ ዝተቐትለ መዋቲ ን ቢቢሲ፡ “ጣሊባን መጺኦም ንቐታሊ ወደይ ምሕረት ክገብረሉ ብሽም ኣምላኽ ለሚኖምኒ ነይሮም፤ ኣነ ግን ከምታ ንወደይ ትሕቲ መሬት ዘስፈሮ ከምኣ ክቕበር ኣለዎ ኢለ ኣብየዮም።” ወሲኻ፡ “እዚ ንኻልኦት መምሃሪ ክኸውን ኣለዎ። ሎሚ እንተዘረሺንኩሞ ኣብ መጻኢ ካልእ ገበናት ክፍጽም እዩ”  ኢለዮም ትብል። ጣሊባን ኣብቲ ካብ 1996-2001 ኣብ ስልጣን ዝነበሩሉ፡ ኣብ ኣደባባያትን ኣብ ሃገራዊ ስታድዩም ካቡልን ከይተረፈ ኣብ ፓብሊክ መቕጻዕቲ የካይዱ ምንባሮም ብብዙሓት ኣኾኒንዎም እዩ። እዚ ጕጅለ ነቲ ኣሰቃቒ መድቆስቲ ደቀኣንስትዮ ከምዘይደግምዎ ምሒሎም እኳ እንተነበሩ፡ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጹ ኣትሒዞም ግን ነጻነት ደቀንስትዮ ብኸቢድ ይግህስዎ ኣለዉ። መሰለን ክሕሎ ንዝጠልባ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣደዳ ማህረምቲ እየን ዝዀና። ኣብዚ እዋን ነዚ ሓድሽ መንግስቲ ኣፍልጦ ዝሃበቶ ዝዀነት ሃገር የላን።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cp9k793ve7jo"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን፡ ጣሊባን ንሓይልታት ፀጥታ እታ ሃገር ምቕታል ደው ከብል ፃውዒት ቀሪቡ","content":"ኣሜሪካን መሻርኽታን፡ ጣሊባን ቅድሚ ሕዚ ሓይልታት ፀጥታ ኣፍጋኒስታን ዝነበሩ ኣባላት ምቕታል ደው ከብል ፀዊዐን። እዘን 22 ሃገራት ኣብ ዘውፅእኦ ሓባራዊ መግለፂ፡ እቲ እስላማዊ ምምሕዳር ቅድሚ ሕዚ ሰራሕተኛታት መንግስትን ፀጥታን ንዝነበሩ ንዘይምጉዳእ ዝኣተዎ ቃል ከኽብር ሓቲተን። እቲ መግለፂ፡ “ብዝወፅኡ ዘለዉ ፀብፃባት ጃምላዊ ቅትለት፣ ጭውያን ማእሰርትን ኣሻቒሉና ኣሎ” ኢሉ። በቲ እስላማዊ ስርዓት ዝተፈፀሙ ቅትለታትን መጭወይትን ዝገልፅ ፀብፃብ ምውፅኡ ስዒቡ’ዩ፡ እተን ሃገራት ነዚ ፃውዒት ኣቕሪበን ዘለዋ። ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ መፈለምታ እዚ ሰሙን ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ፡ ጣሊባን ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ነታ ሃገር ካብ ዝቆፃፀር ንነዘ፡ ልዕሊ 100 ሰብመዚ እቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ መንግስቲ ከምዝተረሸኑን ከምዝተጨወዩን ገሊፁ። ጣሊባን ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ነታ ሃገር ካብ ዝቆፃፀር ንነዘ፡ ካብ 15 ሰነ ክሳብ 31 ጥቅምቲ ኣብ ዘሎ ግዘ ጥራሕ፡ ብጣሊባን ዝተማረኹ ወይ ዝተትሓዙ ኣባላት ፀጥታ እታ ሃገር ዝነበሩ፡ 47 ሰባት ከምዝተቐተሉ ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣፍሊጡ። ዋላ’ኳ እቲ እስላማዊ ምምሕዳር ምስቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ መንግስቲ ይሰርሑ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሰባት ዋላ ሓደ ጉድኣት ከምዘየብፅሕ እንተገለፀ፡ ቅትለት ከምዝፈፀመ እቲ ፀብፃብ ሓቢሩ። እቲ ብኣሜሪካ ኣቢሉ ዝወፅአ መግለፂ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት 19 ሃገራትን ክታመን ዘዕረፋሉ እዩ። በቲ ዝወፅአ ፀብፃብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ከምዝተሻቐላ ዝገለፃ እዘን ሃገራት፡ ኩሎም ተፈፂሞም ዝተብሃሉ ቅትለታትን መጭወይትን ምርመራ ክካየድ ፀዊዐን። እቲ መግለፂ፡ “ንጣሊባን ብተግባሮም ምምዛን ክንቅፅል ኢና” ክብል ዛዚሙ። ቅድሚ ሕዚ’ውን ጣሊባን ምስ ዝተመፃበዖ ዝፃረር ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ቅትለትን ከምዝፈፀመ ፀብፃባት ኣቃሊዖም እዮም። ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ብኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝወፅአ ፀብፃብ፡ 300 ተዋጋእቲ ጣሊባን ወተሃደራት መንግስቲ ምስ ስድርኦም ናብ ዝነብርሉ ኣብ ጥቓ ዳሃኒ ኩል ናብ ዝርከብ ከባቢ ከምዝተጓዓዙ ገሊፁ። ትሽዓተ ወተሃደራት መንግስቲ ኢዶም ድሕሪ ምሃቦም ከምዝተረሸኑን ክልተ ድማ ኣብ እዋን ተኹሲ ከምዝተቐተሉን ፀብፃብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣቃሊዑ። ጓል 17 ዓመት ትርከቦም ካልኦት ክልተ ሲቪላት’ውን ከምዝተቐትለ’ውን እቲ ትካል ሓቢሩ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59538199"} {"headline":"ጣሊባን ኣብ ባንክታት ኣመሪካ ተኣጊዱ ዘሎ ብቢልዮናት ዝቑጸር ዶላር ክልቀቐሉ ጠሊቡ","content":"ጣሊባን ኣብ ኣፍጋኒስታን ስልጣን ካብ ዝሕዙ ንፈለማ እዋን፡ ኣብ ምድሪ ኣውሮጳ ምስ ሰብ ስልጣን ሃገራት ምዕራብ ክዘራረብ ጀሚሩ። ጣሊባን እቲ ኣብ ባንክታት ኣመሪካ ተኣጊዱ ዘሎ ብቢልዮናት ዝቑጸር ዶላር ክልቀቐሉ ጠሊቡ ኣሎ። ኣብቲ ንሰለስተ መዓልታት ከምዝቕጽል ዝተገለጸ ኣኼባ፡ ንጉዳያት ሰብኣዊ መሰላትን ሰብኣዊ ረድኤትን ኣመልኪቶም ክዘራረቡ ምዃኖም ጸብጻባት ይሕብሩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ 95 ሚኢታዊት ኣፍጋናውያን እኹል ምግቢ የብሎምን ይብል። ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ብዝሒ ሽቕሊ-ኣልቦ ኣዝዩ ወሲኹ ኣሎ ተባሂሉ። ዋጋ ምግቢ ከምዝነሃረን፡ መተዓዳደጊ ገንዘብ እታ ሃገር ዓቕሚ ዘይብሉ ድኹም እናኾነ ምምጽኡን እውን ይዝረብ። ባንክታት’ውን ኣብ ልዕሊ ዝወጽእ ገንዘብ ተመን ኣቐሚጦም ኣለዉ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝብሎ፡ 55 ሚኢታዊ ህዝቢ እታ ሃገር ንጥሜት ተቓሊዑ ኣሎ። ትማሊ 16 ጥሪ 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ: ጣሊባንን ምዕራባውያንን ጥቡቕ ዝርርብ ክገብሩ ከምዝጀመሩ ይዝረብ። ተወካሊ ጣሊባን ሻፊኡላህ አዛም ንኣሶሺዬትድ ፕሬስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ \"እቲ ገንዘብ ንህዝቢ ኣፍጋን ክልቀቐሉ ኢና ንሓቶም ዘለና። ብኣፈላላይ ፖለቲካ ዜጋታት ኣፍጋኒስታን ክጉድኡ የብሎምን\" ክብል ተዛሪቡ። ኣብ ኣፍጋኒስታን ተኸሲቱ ንዘሎ ከቢድ ጥሜትን ዛሕልን ስዒቡ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ክሕግዝ’ምበር ክቐጽዕ የብሉን ክብል ‘ውን ወሲኹ ገሊጹ። ተወከልቲ ምዕራባውያን እቲ ጉጅለ ኣዝዩ ሓቛፊ ክኸውንን፡ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ቁልፊ ኣጀንዳ ኮይኑ ክቐርብን ትኹረት ገይሮም ከምዘለዉ ይዝረብ። ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ምስተቖጻጸረ ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ገዘአን ክጸንሓ ምእዛዙ ዝዝከር እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ንደቂ ተባዕትዮ ተምሃሮን መምህራንን ጥራይ እዩ ክፉት ኮይኑ ዘሎ። ነዚ ናይ ጣሊባን ስርዓት ዝተቓወማ ደቂ ኣንስትዮ በቲ ጉጅለ ዒላማ ኾይነን ኣለዋ። ዝተሰወሩን ሃለዋቶም ዝጠፍኡን ጋዜጠኛታት ከምኡ’ውን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ከምዘለዉ ጸብጻበት ይሕብሩ። ጣሊባን ነዚ መሰል ክስታት ኣይቕበሎን። ዛጊድ ንሓይልታት ጣሊባን ኣፍልጦ ዝሃቦ ሃገር የለን። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኖርወይ ብወገኑ፡ እቲ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር - ኦስሎ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ነቲ ጉጅለ ኣፍልጦ ከም ምሃብ ተገይሩ ክቑጸር የበሉን ኢሉ ኣሎ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60111523"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን፡ ሰብ መዚ ስምምዕ ኣመሪካን ጣሊባንን ንውድቀት ኣፍጋኒስታን ኣቀላጢፉዎ ኢሎም","content":"ሰብ መዚ ኣመሪካ፡ ብምኽንያት ኣብ ሞንጎ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕን ጉጅለ ጣሊባንን ብዝተበግረ ስምምዕ ንኣፍጋኒስታን ክቆጻጸራ ከም ዝኽኣለ ተዛሪቦም። እዚ 'ስምምዕ ዶሃ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብ2020 ዝተፈረመ ስምምዕ ኣመሪካ ሰራዊታ ካብታ ሃገር እተውጽአሉ መዓልቲ ኣስፊሩ ይርከብ። ጀነራል ፍራንክ ማክኬንዚ እቲ ስምምዕ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ወተሃደራትን \"ብሓቂ ጎዳኢ ውጽኢት\" እዩ ዘለዎ ኢሉ። ሚኒስትር ምክልኻል ሎይድ ኦስቲን'ውን በዚ ሓሳብ ብምስምማዕ ጣሊባን \"ንክጠናኸር ሓጊዙ'ዩ\" ክብል ተዛሪቡ። ብተወሳኺ ስምምዕ ዶሃ ከም ኣልቃዒዳ ዝበሉ ጉጅለታት ሽበራ ድሕነት ኣመሪካን መላፍንታን ኣብ ሓደጋ ከየውድቑ ስጉምታት ንክወስድ ጣሊባን ሓለፍነት ከም ዘለውዎ ይድንግግ። ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንድሓር ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ናይ ምውጻእ መደብ ክቕጽሎ እንከሎ እቲ ናይ ግዜ ገደብ ካብ ግንቦት ናብ መወዳእታ ነሓሰ ዝብል ክናዋሕ ከም ዝተገብረ ይፍለጥ። ሰብ መዚ ምክልኻል ኣመሪካ ትማሊ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘቕረቡዎ ጸብጻብ ሓይልታት ወጻኢ ዜጋታቶም ከውጽኡ እንከለው ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተስፋ ዝቖረጹ ኣፍጋናውያን ክምሕጸኑዎም እንከለው ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ብዝተላዕለ ናዕቢ 182 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ገሊጾም። መራሒ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ጀነራል ማክኬንዚ ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ብላዕለዋይነት ይቆጻጸሮ ነይሩ። ጀነራል ማክኬንዚ ንኮሚቴ ኣገልግሎት ምክልኻል እቲ ባይቶ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ስምምዕ ዶሃ መንግስቲ ኣፍጋን ዝረኽቦ \"ኩሉ ዓይነት ሓገዝ መዓዝ የብቅዕ\" ዝብል መዓልቲ ፈልዩ ዘቐመጠ ስለ ዝኾነ ከቢድ ስነ ልቦናዊ ጸቕጢ ኣሕዲሩ'ዩ ኢሉ። ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ ወተሃደራዊ ኣማኸርታ ትሕቲ 2500 እንተገይራቶም መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ሰራዊቱን ምውዳቖም ኣይተርፍን ዝብል እምነት ከም ዝነበሮ'ውን ሓቢሩ። ድሕሪ ስምምዕ ዶሃ ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ፕሬዝደንት ባይደን ቑጽሪ ሰራዊት ኣመሪካ ክንኪ ዘሕለፎ መምርሒ ድማ \"ካልእ ኣብ ውሽጢ ሳንዱቅ ሬሳ ዘሎ ሚስማር\" ነይሩ ክብል ገሊጹዎ። ኦስቲን ብወገኑ ኣመሪካ ኣንጻር ጣሊባን እተካይዶ ደብዳብ ነፈርቲ ጠጠው ክተብል ኣብቲ ስምምዕ ብምእታው \"እቲ እስላማዊ ጉጅለ ተጠናኺሩ፤ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ ኣፍጋኒስታን ዝፍጽሞ መጥቃዕቲ ወሲኹ። ኣፍጋናውያን ሰሙናዊ ብዙሓት ሰባት ይስእኑ ነይሮም\" ክብል ተዛሪቡ። እቶም ሰብ መዚ ምክልኻል ኣመሪካ ብሰሉስ'ውን ምስ ኮሚቴ ኣገልግሎት ኣጽዋር ኲናት ዝተዛተዩ ኮይኖም፡ ጀነራል ሚሌይን ጀነራል ማክኬንዚን ኣመሪካ ሰራዊታ ቅድሚ ምውጽኣ ኣብ ኣፍጋኒስታን 2500 ወተሃደራት ክጸንሑ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩ ገሊጾም። ጀነራል ሚሌይ ወሲኹ ጣሊባን ምስ ኣልቃዒዳ ዘለዎ ርክብ ዘይበተኸ ኣሸባሪ ጉጅለ ስለ ዝኾነ ኣመሪካውያን ካብ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ምሕላው ከቢድ'ዩ ኢሉ። ወሃቢ ቃል ጣሊባን ዛቢሁላህ ሚጃሂድ ትማሊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ጣሊባን \"ካብ ኣፍጋኒስታን ተላዒሎም ንኣመሪካ ሓዊሱ ንዝኾነት ሃገር ዘብጽሑዎ ዝኾነ ዓይነት ስግኣት ከም ዘይህሉ ንዓለም ውሕስና ሂቡ'ዩ\" ኢሉ። \"ኣብ ሞንጎ ኣመሪካን እስላማዊ ኢመሬት ኣፍጋኒስታንን ኣብ ዶሃ ዝተፈረመ ስምምዕ ክንትግብር ድሉዋት ኢና። ኣመሪካን መላፍንታን'ውን ድሉዋት ክኾና ንደሊ። ኣሉታዊ ርኢይቶታት ካብ ምሃብ ዲፕሎማሲያዊ ምትሕብባር እንገብረሉ መገዲ ክመርጻ ዝሓሸ'ዩ\" ኢሉ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58730613"} {"headline":"ቅልውላው ኣፍጋኒስታን፡ ሩስያ ምስ ጣሊባን ሓቢራ ክትሰርሕ ትሕልን","content":"መንግስታት ኣመሪካን ኤውሮጳን ኣብዚ ሰሙን'ዚ፡ ንዜጋታቶምን ንመሳርሕቶምን ኣፍጋኒስታናውያን ካብ ካቡል ንምውጻእ ኣብ ዝጓየዩሉ ዘለው እዋን ሩስያ ብዙሕ ሸቐልቀል ኣይበለትን። እኳ ደኣ ሩስያውያን ዲፕሎማሴኛታት እቶም ኣብ ከተማ ካቡል ዝረኣዩ ዘለው ሓደስቲ ሰባት \"ተራ ሰባት\" ምዃኖም ብምግላጽ፡ ጸጥታ እታ ርእሰ ከተማ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ንላዕሊ ርጉእ ከምዘሎ ይምጕቱ። ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ትማሊ ዓርቢ፡ ነቲ ክውንነት ተቐቢልካ ምስ ጣሊባን ምስራሕ እዩ እቱ ዝሓሸ ኣማራጺ ክብል ተዛሩቡ። ብዙሓት ሩስያውያን ነቲ ኣብ 1980 ኣብ ካቡል ዝነበረ ኮምኒስታዊ መንግስቲ ንምሕጋዝ ንተሽዓተ ዓመት እተገብረ ሓደገኛ ውግእ ይዝክርዎ እዮም ። ምዉቕ ቃላት ንጣሊባን ሩስያ ዘይከምተን ኣብ ርእሰ ከተማ ካቡል ዝርከባ መብዛሕትአን ናይ ወጻኢ ኤምባሲታት ፡ ዲፕሎማስያዊ ተልእኾኣ ገና ክፉት ከም ዘሎን፡ ነቶም ኣጋይሽ ብምዉቕ ቃላት ከም ዝተቐበለቶምን እያ ትገልጽ። ሩስያዊ ኣምባሳደር ዲሚትሪ ዘሂርኖቭ፡ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ምስ ወኪል ጣሊባን ከምዝተራኸበን ኣብታ ከተማ ዝተፈጸመ ቅትለት ኰነ ዝወረደ ዓመጽ ምንም መርትዖ ከም ዘይረኸበ ሓቢሩ ። ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሞስኮ ቫሲሊ ነበንዚያ ብወገኑ፡ ጐደናታት ካቡል ናብ ንቡር ክምለስን እቲ ንብዙሕ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ውግእ ብሃገራዊ ዕርቂ ክዛዘምን ብሩህ መጻኢ ከምዝረኣዮ ተዛሪቡ። ፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ኣፍጋኒስታን ሚስተር ዛሚር ካቡሎቭ ካብቲ ምስቲ \"ኩርኩር መንግስቲ ኣሽራፍ ጋኒ\" ምስ ጣሊባን ምዝርራብ ይቐልል ኢሉ። ሞስኮ ምስቲ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣርባዕተ ማካይንን ሄሊኮፕተርን ምሉእ ጥረ ገንዘብ ሒዙ ዝሃደመ ኣሽራፍ ጋኒ ብዙሕ ርክብ ከምዘይነበራ ትገልጽ፡ እቲ ፕረዚደንት ግን እቲ ክሲ ሓሶት ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ። ናይ ሩስያ ናይ ዝምድና ምምሕያሽ ውጥን ሩስያ፡ ንጣሊባን ከም ገዛእቲ ኣፍጋኒስታን ኣፍልጦ ክትህቦም እኳ እንተዘይተቐዳደመት ግን እቲ ንጣሊባን ክወሃብ ዝጸንሐ ስያመ እናተቐየረ ይመጽእ ኣሎ። ኣብዚ ሰሙን እዚ፡ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ታስ፡ ኣብቲ ንጣሊባን ዝምልከት ጸብጻባ፡ ነታ \"ግብረ-ሽበራውያን\" እትብል ቃል ፡ \"ሱር በተኻዊ\" ብዚብል ቃል ተኪኣታ ኣላ። ሞስኮ ዋላኳ ንጣሊባን ካብ 2003 ኣትሒዛ ኣብ ዝርዝር ግብረ-ሽበራውያንን እተኣገዱን ውድባት እንተቕረበቶም፡ ወከልቲ እቲ ጕጅለ ግን ካብ 2018 ኣትሒዞም ዝርርብ ንምክያድ ናብ ሞስኮ ክኣትው ጸኒሖም ነይሮም። እቲ ብምዕራባውያን ዝድገፍ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን፡ እቲ ኣብ ሩስያ ዝርከብ ፕረዚደንታዊ ልኡኽ ፡ ርኡይ ደጋፊ ጣሊባን ብምዃኑ ንሰለስተ ዓመት ከም ዘግለሎን ይኸሰስ። ሚስተር ካብሎቭ ግን ሓቅነት የብሉን ክብል ነቲ ክሲ ይነጽጎ። ይኹን እምበር ይብል ካብ 2015 ንደሓር ግን ጣሊባን ኣንጻር እስላማዊ መንግስቲ (ISIS) ክቃለሱ ምስ ጀመሩ ረብሓታት ሩስያ ምስ ጣሊባን ከምዝተዛመደ ይሕብር። እንተኾነ ኣመሪካ እውን ከየስተብሃትሉ ኣይተረፈን። ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ረክስ ቲለርሰን፡ ሩስያ ኣብ ነሓሰ 2017 ንጣሊባን ኣጽዋር ተዕጥቖም እያ ክትብል እኳ እንተኸሰሰት ሩስያ ግን \"ዜደንጹ\" እዩ ክትብል ነቲ ክሲ ትነጽጎ። ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሞስኮ፡ \"ንኣመሪካውያን መሳርሕትና መርትዖ ከቕርቡልና ሓቲትናዮም ኢና፣ ግናኸ ኣየቕረቡን። ንሕና፡ ንጣሊባን ዝዀነ ደገፍ ኣይሃብናን\" ክብል ተዛሪቡ። ኣብ ለካቲት ናይዚ ዓመት ሚስተር ካቡልቭ፡ ነቲ ኣብ ደውሓ ዝተበጽሐ \"ዘይግብራዊ\" ስምምዓት ንጣሊባን ወዲሶም ንመንግስቲ ኣፍጋኒስታን ከም ዓንቃፊ ብምኽሳሶም ከምዘቖጠዖ ይኸስስ። ኣድህቦ ኣብ ዞባዊ ጸጥታ ሞስኮ ዋላ'ኳ ነቲ ምዕባለታት እናተኸታተለት ፡ ምስ ጣሊባን ጥቡቕ ርክብ'ኳ እንተገበረት፡ ክሳብ ሕጂ ነቲ ጕጅለ ካብቲ ናይ ሽበራ ዝርዝራታ ኣየውጽኣቶን ። ፕረዚደንት ፑቲን፡ ጣሊባን ከምቲ ዝተመባጸዖ ሰላምን ርግኣትን ጸጥታን ከስፍን ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ ። \"ኣሸበርቲ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ንከይሰግሩ ምቁጽጻር ኣገዳሲ እዩ\" ኢሉ ። ቀንዲ ረቛሒታት ጉዳያት ፖሊሲ ወጻኢ ሩስያ፡ እቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘሳቐያ ታሪኽ ተዓጽዩ ዞባዊ ርግኣትን ቅሳነትን ምህላው እዩ። ሩስያ፡ ኣብ ማእከላይ እስያ ንዝርከባ መሻርኽታ ውሑስ ዶባት ክህልወንን፡ ንግብረ-ሽበራን ንግዲ ሓሽሽን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ምክልኻልን ምግታእን እዩ ቀንዲ ድላያ። ሩስያ፡ ድሕሪ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ 11 መስከረም፡ ኣመሪካ ንጣሊባን ዒላማ ንምግባር ምስ ሕብረት ሶቭየት ኣብ ዝነበራ ሃገራት እቲ ከባቢ ወተሃደራዊ መዓስከር ምስ ገበረት፡ ሩስያ ፈለማ ነቲ ስጕምቲ ብሓጐስ እያ ተቐቢላቲ ነይራ። ነዊሕ ኸይጸንሐ ግና ፡ እቲ ርክብ እናላሕለሐ ከይዱ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ሩስያ ኣብ ኡዝበኪስታንን ታጂኪስታንን ወተሃደራዊ ልምምድ ብምግባር ንመሻርኽታ ንሃገራት ማእከላይ ኤስያ ንምውሓስ ምዃኑ ሓቢራ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሩስያ፡ ጣሊባን ንመስመር ጋዛት ሩስያን ዞባዊ መሻርኽታ ከምዘየስግኡን ንዕጡቓት ኣይ.ኤስ ከም ዝዋግኡን መረጋገጺታት ረኺባ ነይራ'ያ ። ናይ ሩስያ ተዘክሮ መሪር ውግእ ሩስያ ናብ ኣፍጋኒስታን ወተሃደራት ክትልእኽ ድሌት ከም ዘይብላን ስለምንታይ ከምኡ ከምዝወሰነት ከኣ ንምርድኡ ከምዘየጸግምን ትገልጽ። ኣብ 1980ታት ምስ ኣፍጋኒስታን ዳሕራይ ትርጉም ኣይነበሮን ዝተባህለ ደማዊ ውግእ ኣካይዳ እያ። እቲ ብ1979 መሻርኽቲ ሞስኮ ንዝነበረ ስርዓት ኣፍጋን ንምድጋፍ ሩስያ ንትሽዓተ ዓመት መሪር ውግእ ኣካይዳ ልዕሊ 15,000 ህይወት ከኣ ከፊላ። ብሳዕቤኑ ከኣ ብዙሓት ሃገራት ነቲ ኣብ 1980 ኣብ ሞስኮ ክካየድ ዝነበሮ ዓለማዊ ኦሎምፒክ ስለዝተሓሰሞኦ ንሕብረት ሶቭየት ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ኣስዒቡላ። ኣብ 1979 ሕብረት ሶቭየት ኣብ ካቡል ነቲ ብባብራክ ካርማል ዝምራሕ መንግስቲ ክትድግፍ እንከላ፡ ኣመሪካ፡ ፓኪስታን፡ ቻይና፡ ኢራንን ስዑዲ ዓረብን፡ ነቲ ኣንጻር ባብራክ ዝዋጋእ ዝነበረ ኣፍጋናዊ ሓይሊ ሙጂሃዲን ኩሉ ዓይነት ሓገዛት የፍስሳ ነበራ። መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ኵናት ኣፍጋን ዝተቐትሉ ሶቬታውያን መንእያት እዮም ነይሮም። ስለዝኾነ እቲ ስዕረት መሰጋጠመ ኣብ ህዝቢ ሩስያ፡ ሰበ-ስልጣን ሶቭየት፡ ብዛዕባ ህዝቦም ብዙሕ ተገዳስነት ከም ዘይነበሮም ዘርኢ እዩ ዝብል ስምዒት ኣለዓዒሉ። እቲ ውግእ ፡ እንተ ወሓደ ንሓድነት ኅብረት ሶቭየት ከም ዘጥፍኣ እዩ ዝእመነሉ ፣ እዚ ከኣ ንገዛእቲ ሶቭየት ከም ዘጕሃዮም እዩ ዝንገር ። እቲ ውግእ ኣብ ለካቲት 1989 ብሕማቕ ወተሃደራዊ ስዕረት ተዛዘመ። ስግኣትን ፍርሕን ብዛዕባ መጻኢ ሩስያ፡ ጣሊባን ስልጣን ከምዝሕዙ ብሓሳብ ተዳልያ ከምዝጸንሐት ከምስሉ እኳ እንተፈተኑ፡ ሓያሎ ወተሃደራዊ ክኢላታት ግና፡ ሞስኮ ንባዕላ እውን በቲ ቅልጡፍ ገስጋስ ጣሊባን ከም እተገረመት እዮም ዝኣምኑ። ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ኣፍጋኒስታን ዘጽንዕ ማእከል መጽናዕቲ ሩስያ ኣንድረይ ሰረንኮ፡ \"ብዛዕባ ናይ ሞስኮ ስትራቴጂን ስልትን ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና\" ይብል። ብምቕጻል፡ \"ሞስኮ፡ ብዛዕባ እቲ ሓዲሽ ዝምዕብል ዞባዊ ቅርጽን ዝምድናታትን ስግኣት ኣለዋ\" ኢሉ። ካልኦት ኣብ ሞስኮ ዝነብሩ ሰባት እውን ምሕደራ ጣሊባን እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ሓርቢትዎም ኣሎ ። ሓላፊ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሩስያ ኣንድሬይ ኮሮኖቭ፡ ባይቶ ምሁራት ሩስያ፡ ጣሊባን ንመላእ እታ ሃገር ፡ ብፍላይ ከኣ ንሰሜናዊ ክፋል ክቆጻጸሩ ከምዝፍትኑን እዚ ድማ ንሩስያን ንጎረባብታን ሓደጋ ከምዝኾነ ይኣምኑ። \"ምናልባት ገለ ዋህዮታት ናይቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዓስኪሩ ዝርከብ ኣል-ቃዒዳን ምናልባት እውን ኣይሲስ፡ ኣብ ማእከላይ እስያ ገለ ተግባራት ዕንወት የኸትሉ ይዀኑ\" ክብል ስግኣቱ ገሊጹ ። ምናልባት እውን እዚ ኩነታት ኣብ ቁጠባ ኣፍጋኒስታንን ዓቢ ቅልውላው ከኸትልን ነቲ ፖለቲካዊ ህይወት ከይበላሽዎን ብግደኡ ዝያዳ ቅጽበታዊ ሓደጋ ከየስዕብን ስክፍትኡ ይገልጽ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58278042"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን፡ ፕረዚደንት ባይደን ሰራዊቱ ካብ ኣፍጋን ምውጽኡ ተኸላኺሉ","content":"ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ዕጡቓት ጣሊባን ናብ ስልጣን ክምለሱ ዝገበረ ተባሂሉ ዝንቀፍ ዘሎ ውሳነ ምውጻእ ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ዝምልከት ተኸላኺሉ። ትማሊ፡ ኣመሪካ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ካቡል ዝጸንሐ ሰራዊታ ጠቕሊላ ከም ዘውጽአት ይፍለጥ። ጣሊባን ብወገኑ ነቲ ዓወት ኢሉ ዝሰምዮ ጸምቢሉ። እቲ ፕሬዝደንት ንህዝቢ ሃገሩ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ኣብታ ሃገር ንነዊሕ ግዜ ምጽናሕ ኣማራጺ ኣይኮነን ኢሉ። እቶም ወተሃደራት ልዕሊ 120 ሽሕ ሰባት ካብታ ሃገር ክወጽኡ ንዝገበሩዎ ምትሕብባር ኣመስጊኑ። ኣመሪካ፡ ድሕሪ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ 9\/11 እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ኣልቃዒላ ኣብ ኣፍጋኒስታን ብምንባሩ ብ2001 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ንኣፍጋኒስታን ብምውራር ኣብ ስልጣን ንዝነበረ ጣሊባን ኣልያቶ። ፕሬዝደንት ባይደን ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰራዊት ኣመሪካ ዝወጽአሉ መገዲ፡ ነቲ ሰራዊት ኣመሪካ ንዓመታት ዘሰልጠኖን ብገንዘብ ዝደገፎን ትጽቢት ዘይተገብረ ምፍራስ ሓይልታት ጸጥታ ኣፍጋኒስታን ኣስዒቡ'ዩ ብዝብል ኣብ ኣመሪካን ደገፍቱን ሓያል ነቐፌታ ገጢሙዎ'ዩ። ዕጡቓት ጣሊባን ኣብ ውሽጢ 11 መዓልታት ንመላእ ሃገር ክቆጻጸሩ እንከለው፡ ብ15 ነሓሰ 2021 ናብ ርእሰ ከተማ ካቡል ኣትዮም። ፕሬዝደንት ባይደን ድማ፡ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝጸንሑ ዜጋታት ኣመሪካ፣ ወጻእን ምስኦም ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣፍጋኒስታናውያንን ንምውጻእ ንመዓርፎ ነፈርቲ ዝቆጻጸሩ 6000 ወተሃደራት መዲቡ ነይሩ። ኣብቲ እዋን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብታ ሃገር ንምውጻእ ብብዝሒ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ክጸቓቐጡ ተራእዮም ነይሮም። ባይደን ትማሊ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ንሰራዊት ሃገሩ ብምምስጋን ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ ኣስታት 200 ዝኾኑ ኣመሪካውያን ንምውጻእ ዝግበር ጻዕሪ ቐጻሊ ምዃኑ ቃል ኣትዩ። ይኹን'ምበር ንውሳንኡ ዝምልከት ብዝግባእ ተኸላኺሉ። \"እዚ ዘልኣለማዊ ኲናት ኣየናውሕን፤ ዘልኣለማዊ መውጽእ'ውን ኣይኣወጅኩን። ሕጂ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘሎ ኲናት ኣብቂዑ'ዩ\" ኢሉ። ኣመሪካ ንርእሳ ንምክልኻል ኣብ መሬት ሰራዊት ከም ዘየድልያ'ውን ተዛሪቡ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58391212"} {"headline":"ብነፋሪት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ትወጽእ ዝነበረት ነፍሰጾር ኣብ ነፋሪት ሓሪሳ","content":"ብሰንኪ እቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘሎ ቀጻሊ ቅልውላው፡ ብነፋሪት ኣመሪካ ካብ ኣፋጋኒስታን ትወጽእ ዝነበረት ነፍሰጾር ኣብ ውሽጢ ነፋሪት ምሕራሳ ተገሊጹ። ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ፡ እታ ብጽሕቲ ወርሒ ናብቲ ኣብ ጀርመን ዝርከብ ራምስተይን ዝተብሃለ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ እናኸዱ እንከለዉ ሕማም ሕርሲ ከምዝተታሕዘት ገሊጹ። እታ ነፋሪት ምስ ዓለበት ክኢላታት ሕክምና ብቅልጡፍ ናብታ ነፋሪት ብምድያብ ነታ ኣፍጋናዊት ሰበይቲ ኣብ ውሽጢ እታ ነፋሪት ከምዘሕረስዋ ተገሊጹ። እታ ብሰላም ዝተገላገለት ወላዲትን እታ ናጽላን፡ ናብ ሕክምና ከምዝተወሰዳን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከባን'ውን ተሓቢሩ። እታ ሰበይቲ፡ ኣብ ነፋሪት ኣብ ሰማያት እንከላ ሕማም ሕርሲ ምስ ተታሕዘት ትንፋስ ክሓጽራ ምስ ጀመረ፡ እቲ ኣብራሪ ነፋሪት ኣብ ውሽጢ እታ ነፋሪት ዝያዳ ኦክስጅንን ጸቅጢ ኣየርን ንምውሳኽ ካብቲ ንቡር ናብ ታሕቲ ለጠቅ ኢሉ ክበርር'ዩ ተገዲዱ። \"እቲ ውሳነ ናይቲ ኣብራሪ ህይወት ናይታ ኣፍጋናዊት ሰበይቲ ዘድሓነ ውሳነ እዩ ነይሩ\" ይብል እቲ መግልጺ። ሰራዊት ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ምስ ተቆጻጸራ፡ ንድሕነቶም ዝሰግኡ ኣሽሓት ኣፍጋናውያን ብመንግዲ ኣመሪካ ካብታ ሃገር ንክወጽኡ ኣብ ኣፍደገ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ከምዝርከቡ እዩ ዝግለጽ። ኣብዚ እዋን መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጸዓር ሰራዊት ኣመሪካ እዩ ዝርከብ። ዋይት ሃውስ ብቀዳም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ 17 ሽሕ ሰባት ብመንገዲ ሰራዊት ኣመሪካ በቲ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ ካልእ ሃገር ምግዓዞም ጠቒሱ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን ሰራዊት ኣመሪካ 31 ነሓሰ ጥቅሊሉ ካብ ኣፍጋኒስታን ከምዝወጽእ'ዩ ገሊጹ ዘሎ። እንተኾነ ብዙሓት ሃገራት ዜጋታተንን ምስአን ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣፍጋናውያንን ካብ ኣፍጋኒስታን ንኸውጽኣ ኣመሪካ ነቲ መዓልቲ ከተናውሖ ይሓታ ኣለዋ። ላዕለዋይ ሓላፊ ናይ ወጻኢ ፖሊስ ኣውሮጳዊ ሕብረት ጆሴፍ ቦረል ንኤኤፍፒ ብቀዳም ኣብ ዝሃቢ ሓበሬታ፡ \"ክሳብ መወዳእታ እዚ ወርሒ 60 ሽሕ ሰባት ካብ ኣፍጋኒስታን ንኸውጽኡ እዩ እቲ ውጥን፡ እዚ ግን ኣብ ባይታ ዝከኣል ኣይኮነን\" ኢሉ። ጣሊባን፡ ነቲ ኣብ ውሽጥን ኣብ ከባብን መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ዝፍጠር ዘሎ ሕምስምስን ዕግርግርን ንኣመሪካ እዩ ተሓታቲት ዝገብር ዘሎ። ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰብ መዚ ጣሊባን ዝኾነ ኣሚር ከሃን ሜታቂ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ \"ኣመሪካ ምስዚ ኹሉ ሓይላን መሳርሒታኣትን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ጸጥትታን ስርዓትን ከተውሕስ ኣይክኣለትን፡ ኣብ መላእ ኣፍጋኒስታን ሰላምን ርግኣትን ዓሲሉ ኣሎ እንተኾነ ኣብቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ግን ዕግርግር ኣሎ\" ኢሉ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58302273"} {"headline":"ድሕሪ ምስሓብ ሰራዊት ኣመሪካ ፈላማይ ጉጅለ ወጻእተኛታት ካብ ካቡል ወጺኦም","content":"ብሪጣንያውያን ዝርከቡዎም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ወጻእተኛታት ተጉዓዝቲ፡ ድሕሪ ምስሓብ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ፈላማይ በረራ ካብ ካቡል: ኣፍጋኒስታን ወጺኦም፡፡ ነቶም ተጉዓዝቲ ዝጸዓነት ነፋሪት መገዲ ኣየር ቐጠር ትማሊ ኣብ ዶሃ ክትዓልብ እንከላና ሎሚ እውን ካልኣይ በረራ ክካየድ ትጽቢት ይግበር፡፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጸኢ ኣንቶኒ ብሊንክን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቐጠር ዑደት ኣብ ዝገበረሉ እታ ሃገር ወጻእተኛታት ካብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ምጉዕዓዝ ክትሕግዝ ሓቲቱ ነይሩ፡፡ ኣመሪካ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዘካየደቶ ናይ ምግዓዝ ስራሕቲ ብዙሓት ንሰራዊት ኣመሪካ ዝሕግዙ ዝነበሩ ኣፍጋኒስታናውያን ከይወጹ ተሪፎም እዮም፡፡ ኣብቲ ናይ ትማሊ በረራ 113 ሰባት ከምዝገዓዙ ወኪል ዜና ሮይተርስ ገሊጹ፡፡ ኣመሪካ ኣብታ ነፋሪት ዜጋታታ ከምዝነበሩ ዘረጋገጸት ኮይና ካናዳ 43፡ ኔዘርላንድስ ድማ 13 ዜጋታተን በታ ነፋሪት ከምዝወጹ አፍሊጠን፡፡ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጠቕሊላ ካብ ኣፍጋኒስታን ክሳብ ዝወጸትሉ መዓልቲ፡ ልዕሊ 124 ሽሕ ወጻእተኛታትን ንህይወቶም ዝሰግኡ ኣፍጋናውያንን ካብታ ሃገር ወጺኦም እዮም፡፡ ክሳብ እቲ ናይ ትማሊ በረራ ኣስታት ሓደ ምኢቲ ኣመሪካውያን ኣብ ኣፍጋኒስታን ከምዝተረፉ ይግመት ነይሩ፡፡ ማህረምቲ ጋዜጠኛታት ነቲ ብረቡዕ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዝጸብጸቡ ጋዜጠኛታት ዝበጸሖም ማህሰይቲ ዘርእዩ ፎቶታት እውን ተራእዮም እዮም፡፡ እቶም ጋዜጠኛታት ብረቡዕ ኣብ ካቡል ብዕጡቓት ጣሊባን ምስተኣሰሩ ሓያል መግረፍቲ ከምዝተፈጸሞም ተገሊጹ፡፡ ነማቱላህ ናቅዲ ዝተባህለ ሰኣሊ ‘‘ካብቶም ጣሊባን ሓደ ብእግሩ ርእሰይ ረጊጹ ምስ ምድሪ ቤት ኣጣቢቕኒ’’ ክብል ንወኪል ዜና ኤኤፍፒ ተዛሪቡ፡፡ ‘‘ርእሰይ ወቒዖምኒ፡ ዝቐትሉኒ መሰሊኒ ነይሩ፡፡’’ ንሱን መሳርሕቱን ነቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣፍ ደገ ጣብያ ፖሊስ ዘካይደኦ ዝነበራ ሰልፊ ተቓውሞ እዮም ዝጽብጽቡ ነይሮም፡፡ ጣሊባን ሚኒስትሪ ፍትሒ ዘይፈቐዶ ሰልፊ ከይካየድ ከልኪሎም እዮም፡፡ ኮይኑ ግና ብዓሰርተታት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጥቓ ኤምባሲ ፓኪስታን ተኣኪበን ‘‘ናጽነት ንደሊ ኢና’’ እናበላ ድምጸን ከምዘስመዓን፡ ዕጡቓት ጣሊባን ነተን ሰልፈኛታት ንምብታን ጠያይቲ ከምዝተኮሱን ተገሊጹ፡፡ ኣብ ግዝኣት ካፒሳ እውን ካልእ ሰልፊ ተቓውሞ ብደቂ ኣንስትዮ ከምዝኻየደን ብዙሓት ከምዝተኣሰራን ሚድያታት ውሽጢዓዲ ገሊጸን፡፡","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58511639"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን፡ ኣመሪካ ዋላ መጥቃዕትታት ይፈጸም ኣብ ካቡል ትገብሮ ስርሒት ምውጻእ ክትቅጽሎ ምዃና ገሊጻ","content":"ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ጅሃዳውያን ጉጅለታት 13 ኣመሪካውያን ዝርከብዎም 90 ሰባት'ኳ ኣንተቐተሉ፡ እቲ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ሰባት ናይ ምውጻእ መስርሕ ክቅጽል ምዃኑ ገሊጹ። ነቶም ነቲ ገበን ዝፈጸሙ፡ ኣመሪካ ክትሃድኖም ምዃና ብምግላጽ ኸኣ \"ነቲ ዝጀመርናዮ ስርሒት ክንዛዝሞ ኣለና፡ ክንዛዝሞ ኢና ድማ\" ኢሉ። ካብታ ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ዝተቖጻጸረላ 15 ነሓሰ ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 100 ሽሕ ኣፍጋናውያን ብመዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ካብታ ሃገር ወጺኦም ኣለዉ። እንተኾነ፡ ኣመሪካ ክሳብ 31 ነሓሰ ጥራይ ኣብ ኣፍጋኒስታን [መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል] ክትጸንሕ ስለዝተፈቐዳ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ኣፍጋናውያን እታ መዓልቲ ከይኣኸለት ካብታ ሃገር ንኽወጽኡ ኣብ ትጽቢት እዮም ዘለዉ። እቲ ልዕሊ 90 ሰባት ዝሞትሉ መጥቃዕትታት፡ ብኣቆጻጽራ እቲ ኸባቢ ሓሙስ ሰዓት 1:30 ድሕሪ ቀትሪ'ዩ ኣጋጢሙ። እቲ ናይ መጀመርታ ዕላማ እቲ መጥቃዕቲ ዝነበረ፡ እቲ ወተሃደራት ኣመሪካን ወተሃደራት ዓባይ ብሪጣንያን ሰባት እናኣጻረዩ ናብ ውሽጢ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ዘእትውሉ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ደቓይቕ'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ሓደ ሰብ መዚ ዓበይ ብርጣንያ ኣብ ኣፍጋኒስታን ክወጽኡ ዝደልዩ ኣፍጋናውያን ዝምዝግብሉ ሆቴል መጥቃዕቲ ተፈጺሙ። ነቲ መጥቃዕቲ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ኣይኤስ-ከይ ዝተብሃል እስላማዊ ጉጅል ከምዝፈጸሞ ባዕሉ መግለጺ ሂቡ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ \"ምሕረት ኣይክንገብርን ኢና፡ ኣይክንርስዕን'ውን ኢና፡ ነቲ ዝፈጸምክሞ ዋጋ ከምእትኸፍልሉ ክንገብር ኢና\" ኢሉ። ናይ ኣመሪካ ሓላፊ ማእከላይ እዚ ጀነራል ፍራንክ ማከንዚ፡ ካብቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝሞቱ 11 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካን ሓደ ኣመሪካዊ ተማሃራይ ሕክምናን ከምዝርከብዎም ገሊጹ። ኣመሪካ ድሕሪ ለካቲት 2020 ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘጋጠማ ብዝሒ ሞት፡ እዚ ዝልዓለ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ። ጀነራል ፍራንክ ማካንዚ፡ እቲ ካብ ጉጅል ኣይሲስ-ከይ ዝፍጠር ስግኣት ዝልዓለ ኮይኑ፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ፡ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ከይፍጸም፡ ሰራዊት ኣመሪካ ምስ ጣሊባን ብምዃን ይሰርሕ ምህላዉ ገሊጹ። እንተኾነ እቲ መጥቓዕቲ፡ ነቶም ሰባት ብመዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ናይ ምውጻእ መስርሕ ክሓላልኾ ከምዝኽልእ እዩ ዝግመት። ኣበዚ እዋን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል 5800 ኣመሪካውያን 1000 ብሪጣንያውያንን ወተሃደራት ይርከቡ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58353275"} {"headline":"ጣሊባን፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋን #ክዳነይኣይትንክኡለይ ይብላ ኣለዋ","content":"ኣብ ጉግል፡ ብኢንግሊዘኛ \"ባህላዊ ክዳውንቲ ኣፍጋኒስታን\" ኢልኩም እንተጽሒፍኩም፡ ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎ ብዙሓት ባህላዊ ክዳውንቲ ክመጽኣልኩም'ዩ። እዚ ክዳን፡ ብኢድ ዝተሰርሐ ጥልፍን ዝተፈላለየ ቅድታት ዘለዎን እዩ። ገሊኦም ፍሉያት'ዮም። ኣብ ከባቢ ደረት ብጥንቃቐ ዝተቐመጡ ናኣሽቱ መስትያት ዝመስሉ መጋየጺታት ዘለዎም ነዋሕቲ ቀምሻት ኣለው። እዞም ክዳውንቲ 'ኣታን' ተባሂሉ ንዝጽዋዕ ብሄራዊ ትልሂት ኣፍጋኒስታን ኣዝዮም ምቹኣት ስለ ዝኾኑ፡ ከም ድላይካ ሕምብሊል ትብለሎም። ካብታ ሃገር ወጻኢ ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋኒስታን ድማ ኣብ ኢንተርነት ኣንጻር ጣሊባን ዘውጽኦ ጥቡቕ ሕጊ ኣከዳድና ደቂ ኣንስትዮ ተመሃሮ ተቓውሞ ጀሚረን። እዚ #ክዳነይኣይትተንክፉለይ ከምኡ'ውን #ባህሊኣፍጋኒስታን ብዝብሉ ሃሽታጋት ዝተጀመረ ጎስጓስ፡ ብዙሓት ካብታ ሃገር ወጻኢ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎ ባህላዊ ክዳውንቲ ተኸዲነን ክመርሕኦ ጀሚረን ኣለዋ። እተን ሕጂ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ጎስጓስ ዘካይዳ ዘለዋ ኣፍጋናውያን፡ ከካብ ዝመጽኣሉ ዞባ እታ ሃገር ቆብዕን ኣብ ርእሲ ዝቕመጡ ከበድቲ መጋየጺታትን ገይረን እውን ይርኣያ። ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት፡ ነቲ ክዳን ናብ ዩኒቨርሲቲ ወይ ስራሕ ዝኸዳ ደቂ ኣንስትዮ መዓልታዊ ተኸዲነንኦም'የን። ሓሓሊፉ እቲ ዝኽደንኦ ብጂንስ ስረ ተተኪኡ፡ እቲ ሻርፓ ድማ ኣብ ርእሰን ክጥምጠምኦ ጸኒሐን። ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ካብ ዝቆጻጸር ንድሓር ግን፡ ስርዓት ኣከዳድና ደቂ ኣንስትዮ ከመይ ክመስል ኣለዎ ዝብል መምርሒ ስለ ዝተዋህበ ክትዕ ተላዒሉ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ቐዳመ ሰናብቲ፡ ነቲ ናይ ጣሊባን መምርሒ \"ዝደገፋ ደቂ ኣንስትዮ\" ነዊሕን ሙሉእ ነብሰን ዝሽፍንን \"ዕባያ\" [ገጸንን ርእሰንን ዝሽፍን ምሉእ ቀምሽ] ተኸዲነን ገጸንን ኣእዳወንን ተሸፊነን ኣብ ካቡል ሰልፊ ክገብራ ተራእየን። ኣብ ሓደ ቪድዮ፡ እተን ነቲ ጣሊባን ዝወደቦ ሰልፊ ደጊፈን ዝወጽኣ ደቂ ኣንስትዮ \"መመላኽዒ [ሜክኣፕ] እትጥቀምን ዘመናዊ ክዳን እትኽደንን ኣፍጋናዊት ንኣስላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣፍጋን ኣይትውክልን'ያ\" ኢለን። ብተወሳኺ \"ምስ ሕጊ ሸሪዓ ዘይቃዶን ናይ ምዕራባውያን ዝኾነን ናጽነት ደቂ ኣንስትዮ ኣይንደልን\" ብምባል ነቲ ጽኑዕ እስላማዊ ሕጊ ጣሊባን ዘለወን ደገፍ ክገልጻ ተራእየን። ድሕሪ እዚ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ኣፍጋን ደቂ ኣንስትዮ ምላሽ ንምሃብ ግዜ ኣይወሰደለንን። ብቐጥታ ናብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብምኻድ ተቓውምአን ክገልጻ ጀሚረን። እዚ ኣብ ኣፍጋኒስታን ፕሮፌሰር ታሪኽ ዩኒቨርሲቲ ኣመሪካ ብዝነበረት ዶክተር ባሃር ጃላሊ ዝተጀመረ ጎስጓስ፡#DoNotTouchMyClothes ከምኡ'ውን #AfghanistanCulture ብዝብል ሃሽታጋት ኣብ ባህላዊ ክዳውንቲ እታ ሃገር ትኹረት ዝገበረ ጎስጓስ ጀሚራ። ዶክተር ጃላሊ፡ \"መንነትን ሉእላውነትን ኣፍጋኒስታን ኣብ ዓብዪ ሓደጋ ወዲቑ ዝብል ስግኣት ስለ ዝሓደረኒ\" ነዚ ጎስጓስ ክጅምር ደሪኹኒ ትብል። ሓምላይ ሕብሪ ዘለዎ ክዳን ተኸዲና ድማ ኣብ ትዊተር ናይ ባዕላ ስእሊ ጠቂዓ። ካልኦት'ውን \"ሓቀኛ ገጽ ኣፍጋኒስታን ንምርኣይ\" ናይ ባዕልኽን ስእሊ ጠቅዓ ክትብል ጸዊዓ። \"እቲ፡ ኣብ ሚዲያታት ዝተራእየ [ደገፍቲ ጣሊባን ዝተኸደንኦ ክዳን] ናትና ባህልን መንነትን ከም ዘይኮነ ዓለም ክፈልጥ ይደሊ እየ\" ትብል። ብዙሓት ነዞም ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎም ባህላዊ ክዳውንቲ ኣፍጋኒስታን ዝለመዳ ዜጋታት እታ ሃገር፡ እቲ ኢድካን ገጽካን ዝሽፍን ክዳን ናይ ደገ ጽልዋ ዘለዎ'ዩ ኢለን ይኣምና። ኩለን ዞባታት ኣፍጋኒስታን ዝተፈላለየ ባህላዊ ኣከዳድና እኳ እንተለወን ብብዝሒ ሕብርን ዘብለጭልጩ ጥልፍን ተመሳሰልቲ እዮም። እተን ደቂ ኣንስትዮ ክኣ፡ ክዳውንትና መንነትና'ዮም ዝብል ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኣለወን። \"እዚ እቲ ቕኑዕ ክዳን ኣፍጋን'ዩ፤ ኣፍጋናዊት ጓል ኣንስተይቲ ድማ ከምዚኦም ዝበሉ ምዕሩጋትን ሕብሪ ዘለዎምን ክዳውንቲ'ያ ትኽደን። እቲ ጸሊም ቡርቃ\/ዕባያ ባህሊ ኣፍጋን ኮይኑ ኣይፈልጥን\" ክትብል ኣብ ቨርጂኒያ እትነብር ተሓላቒት መሰላት ኣፍጋን ስፖዝመይ ማሴድ ኣብ ትዊተር ጽሒፋ። ወሲኻ፡ \"ንዘመናት እስላማዊት ሃገር እያ ነይራትና። ኣዴታትና ግን እቲ ናይ ኣዕራብ ጸሊም ቡርቃ ወይ ሰማያዊ 'ቻዳሪ' ዘይኮነ ናይ ባዕለን ባህላዊ ክዳውንቲ'የ ዝኽደና። እቶም ባህላዊ ክዳውንትና ነቲ ሃብታም ባህልናን ን5 ሽሕ ዓመታት ኩሉ ኣፍጋናዊ ዝሕበነሉ መንነትን ዝውክሉ'ዮም\" ኢላ። እዚአን፡ ኣብተን ዓቃባውያን ዝበሃላ ከባቢታት እታ ሃገር ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ እንተኾና'ውን ኒቓብ [ገጽኻ ዝሽፍን ጸሊም ክዳን] ክኽደና ርኢና ኣይንፈልጥን ብምባል እየን ዝካትዓ። \"ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋኒስታን ብባህልና እንሕበን ምዃንናን መንነትና ብሓደ ጉጅለ ራዕዲ ዝውሰን ከም ዘይኮነን ንምርኣይ'የ እቲ ስእሊ ጠቂዐዮ፤ ባህልና ጸሊም ኣይኮነን፤ ጸሊምን ጻዕዳን'ውን ኣይኮነን፤ እኳ ድኣ ሕብራውን ምዕሩግን'ዩ። ኣብ ውሽጡ ጥበብን መንነትን ኣሎ\" ትብል ጓል 37 ዓመት ተመራማሪት ኣፍጋን ሊማ ሓሊማ ኣሕመድ። ሊማ፡ መስራቲት ኣብ ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ ትኹረት ዝገብር ማሕበር ፓይዋንድ ኣፍጋን'ያ። ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ከኣ ኣብታ ሃገር ተቐሚጣን ሰሪሓን። ካብዚ ብምብጋስ፡ \"ደቂ ኣንሰትዮ ምርጫ ነይሩወን። ኣደይ ነዊሕ ቀምሽን መሸፈኒ ገጽን ትገብር'ያ፤ ካልኦት ከኣ ንእሽ ዝበለ ይገብራ። ስለዚ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝተጻዕነ ናይ ኣከዳድና ሕጊ ኣይነበረን። ከም ዜጋታት እታ ሃገር ሙሉእ ሰብነትካ ምሽፋን ዝብል፣ ኢድካን ዓይንኻን ዘየርኢ ክዳን ርኢና ኣይንፈልጥን። እዚ ግን [ኣብቲ ሰልፊ ዝርአ ብፍሉይ ትእዛዝ ዝተገብረ'ዩ ዝመስል\" ትብል። ኣብ ቼክ ሪፐብሊክ እትርከብ ማላሊ በሽር ዝተባህለት ጋዜጠኛ'ውን ኣብዚ ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ ጎስጓስ ተሳቲፋ'ያ። ብተወሳኺ \"ጽባቐ ባህልና ንምርኣይ\" ብዝብል ባህላዊ ክዳን ዝተኸደና ኣፍጋናውያን ደቂ ኣንስትዮ ስኢላ። ድሕነት ስድራቤታ ንምሕላው ሽሙ ኣብ ዘይረቑሐቶ ከባቢ እታ ሃገር ክትዓቢ እንከላ፡ \"ቡርቃ\/ ዕባያ ይኹን ጸሊም ወይ ሰማያዊ ክዳን ልሙድ ስለ ዘይኮነ ደቂ ኣንስትዮ ባህላዊ ክዳን እየን ዝኽደና። ዓበይቲ ኣዴታት ጸሊም መሸፈን ክገብራ እንከለዋ መንእሰያት ከኣ ሕብራዊ ሻርፓታት ይጥምጠማ። ጓል ኣንስተይቲ ከኣ ንወዲ ተባዕታይ ሰላም ክትብሎ እንከላ ኢዱ ትጭብጦ'ያ\" ትብል። ኣብ ቀረባ ግን [ጣሊባን ምስ መጽአ] ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ሰፍ ዘይብል ጸቕጢ ይግበር ኣሎ ክትብል ትምጉት። \"ባህለን ንክቕይራ፣ ሙሉእ ነብሰን ክሸፋፈና ወይ ድማ ካብ ህዝባዊ መድረኻት ከምዝእለያ ይግበር ኣሎ። ነዚ ንምቅዋም ከኣ ስእለይን ሓደ ካብ ቅብኣታተይ ዝኾነ ሓንቲ ባህላዊ ክዳን ተኸዲነ \"ኣታና\" ዝተባህለ፡ ብሄራዊ ትልሂት ኣፍጋኒስታን ናይ እትልሀ ጓል ኣንስተይቲ ዘርኢ ምስሊ ጠቂዐ\"። ሰብ መዚ ጣሊባን ደቂ ኣንስትዮ እታ ሃገር ንሕጊ ሸሪዓን ከባቢያዊ ባህላዊ ልምድታትን ማእከል ብዝገበረ ክሰርሓን ክምሃራን ክፍቀደለን'ዩ እኳ እንተበሉ፡ ጥቡቕ ሕጊ ኣከዳድና ግን ተግባራዊ ክገብራ ግድን ከም ዝኾነ ገሊጾም'ዮም። ገለ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ነዚ ተቐቢለን ነቲ ኣብ ከባቢ ዓይነን ጥራይ መንፊት መሳሊ ክፍተት ዘለዎ \"ቻዳሪ\" ዝተባህለ ሰማያዊ ክዳን ተኸዲነን ክራኣያ ጀሚረን። ሚኒስትር ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዓብዱል ባቂ ሃቃኒ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ገጸን ክሽፈና ግድን ከም ዝኾነ ገሊጹ። እንተኾነ ርእስኻ ወይ ገጽኻ ምሽፋን ግድን ድዩ ዝብል ግልጺ ኣይገበረን።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58591025"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን፡ ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ጠቅሊላ እትወጸሉ መዓልቲ ብምቕራቡ ኣብ መዋጥር ኣትያ ምህላዋ ተገሊጹ","content":"ኣመሪካ፡ ሰራዊታን ነቶም ኣብ ውሽጢ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ ወጻእተኛታትን ንምወጻእ ክሳብ 31 ነሓሰ ኣብ ዘሎ ግዜ ከተጻፍፍ ምስ ጣሊባን ዝኣተወቶ ውዕል መዓልቲ ስለዝቐረበን፡ መዓልቲ ንምንዋሕ ዘቕረበቶ ሕቶ ብጣሊባን ተቐባልነት ስለዝሰኣነን፡ ኣብ ውሽጢ ኣፍጋኒስታ ዝርከቡ ወጻእተኛታት ኣብ ግምት ብምእታው ብሕጽረት ግዜ ኣብ መዋጥር ኣትያ ምህላዋ ተገሊጹ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ሰራዊት ኣመሪካ 31 ነሓሰ ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጽእ ድዩ ኣይወጽእን ውሳነ ክህብ ምዃኑ ሓደ ብዓል መዚ ኣመሪካ ሓቢሩ። ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ጀርመንን ግን መዓልቲ ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ ክናዋሕ'የን ዝሓታ ዘለዋ። ጣሊባን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ግን፡ ኣመሪካ ነቲ ስምምዕ ግሂሳ መዓልቲ ከተናውሕ እንተፈቲና ኣብ ልዕሊ ሰራዊታ ዝፍጸም ዝኾነ ይኩን ሓደጋ ባዕላ ኣመሪካ እያ ተሓታቲት ኢሎም ኣለው። ክሳብ ሕጂ ዓሰርተታት ኣሸሓት ሰባት ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ናብ ካልእ ሃገር ተሰጋጊሮም ኣለዉ። ብዙሓት ኸኣ ኣብ ከባቢ እቲ ብሰራዊት ኣመሪካ ዝሕሎ ዘሎ መዓርፊ ነፈርቲ ካቡል ንኽወጽኡ ይጽበዩ ኣለዉ። እቶም ክወጽኡ ዝሓቱ ዘለዉ መብዛሕትኦም ኣብ ትሕቲ ናይ ወጻኢ ትካላት ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣፍጋናውያን ኮይኖም፡ እቲ ተሪር እስለማዊ ሕጊ ኣታኣታትዩ ንኣፍጋኒስታን ካብ 1996 ክሳብ 2001 ዘመሓድራ ዝነበረ ጣሊባን መውጽኢ ሕኒኡ ከይገብሮም ዓቢ ፍርሒ ኣለዎም። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ጅያን ይቭስ ለ ድርያን ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኮይኑ ንጋዜጤኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ \"በቲ ብኣመሪካ ዝተበጽሐ ስምምዕ [ሰራዊታ ጠቅሊሉ 31 ነሓሰ ክወጽእ] ኣዚና ተሻቒልና ኣለና፡ ነቲ ዘሎ ሰብ ናይ ምውጻእ ስርሒት ንምዝዛም ተወሳኺ ግዜ የድሊ'ዩ\" ኢሉ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ህይኮ ማስ'ውን ብተመሳሳሊ፡ መዓርፊ ነፈርቲ ካቡል ድሕሪ 31 ነሓሰ'ውን ሰባት ንምግዓዝ ክፉት ኮይኑ ንኽጸንሕ ኣብ ዝብል ጉዳይ ምስ ኔቶን ምስ ጣሊባንን ከምዝተዛተየ ገሊጹ። ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ምስ ጉጅለ 7 ኣብ ዝግበር ኣኼባ፡ ኣመሪካ ነቲ ናይ ምውጻእ መዓልቲ ንኸተናውሖ ክሓትት ምዃኑ ትጽቢት ይግበር። ዓባይ ብርጣንያ ዝኾነ ናይ ወጻኢ ሰራዊት ብዘይ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ክጸንሕ ከምዘይክእል እያ ትገልጽ። ኣማኸርቲ ወተሃደራዊ ስርሒታት ኣመሪካ፡ እቶም ኣብ ካቡል ዝርከቡ 5800 ወተሃደራት ኣመሪካ ምስ ወተሃደራዊ መሳርሒታቶም ንክወጽኡ ግዜ ስለዘድልዮም እቲ ውሳነ ቀልጢፉ መዕለቢ ክግበረሉ ከምዝምዕዱ ሲኤንኤን ኣቃሊሑ። ብመሰረት ካብ ዋይት ሃውስ ዝተረኸበ ሓበሬታ ሰኑይ ካብ ሰዓት 7 ንግሆ ክሳብ ሰዓት ሸውዓተ ምሸት 10900 ሰባት ካብ ኣፍጋኒሰታት ብነፋሪት ከምዝወጽኡ ተገሊጹ። ብሓፈሻ ክሳብ ካብ 14 ነሓሰ ክሳብ ትማሊ ኣስታት 48 ሽሕ ሰባት ብኣየር ናብ ካልእ ሃገር ግዒዞም ኣለዉ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58313656"} {"headline":"ጣሊባን ንመላእ ዞባ ፓንጅሺር ከምዝተቖጻጸረ ገሊጹ ተቓዋወምቲ ሓይልታት ግና ነቲ ሓበሬታ ነጺጎምዎ","content":"ኣብቲ ካብ ካቡል ንሸነኽ ሰሜን ዝርከብ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምሕደራ ጣሊባን ዝቃውም ሃገራዊ ግንባር ተቓውሞ ኣፍጋኒስታን (ኤንኤፍኣር) ዝጸንሐ ስንጭሮ ከቢድ ኲናት ክካየድ እዩ ጸኒሑ። ኣፈኛ ጣሊባን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “በዚ ዓወት፡ ሃገርና ካብ ዓዘቕቲ ኲናት ምሉእ ብምሉእ ነጻ ኮይና ኣላ” ኢሉ። ኤንኤፍኣር ግና ነቲ ሓበሬታ ነጺግዎ። ኣፈኛ ኤንኤፍኣር ዓሊ ማይሳም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ “ሓቂ ኣይኮነን፡ ጣሊባን ንፓንጅሺር ኣይተቖጻጸረን ንመግለጺ ጣሊባን ይነጽጎ ኣለኹ” ኢሉ። እቲ ጉጅለ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ’ውን “ሓይልታት ኤንኣርኤፍ ኣብ መላእ እቲ ስንጭሮ ስትራተጂካዊ ኣብ ዝኾነ ስፍራታት ብምዃን ኲናት ንምቕጻል ድልዋት ኣለው። ፍትሕን ነጻነትን ክሳዕ ዝነግስ ኣንጻር ጣሊባንን መሻርኽቶምን ዝግበር ቃልሲ ክቕጽል ምዃኑ ንህዝቢ ኣፍጋኒስታን ነረጋግጸሉ” ይብል። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝወጸ ስእልታት፡ ወተሃደራት ጣሊባን ኣብ ኣፍደገ ቀጽሪ ምምሕዳር እቲ ዞባ ደው ኢሎም የርኢ። ቢቢሲ ብመገዱ ነቲ ስእልታት ከረጋግጾ ኣይከኣለን። ጣሊባን ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ንካልእ ክፋል ኣፍጋኒስታን ክቆጻጸር እንከሎ፡ እቲ ብሃገራት ምዕራብ ዝድገፍ መንግስቲ ድሕሪ ምውዳቑ፡ ብ15 ነሓሰ እዩ ናብ ስልጣን መጺኡ። መራሒ ሃገራዊ ግንባር ተቓውሞ ኣፍጋኒስታን ኣሕመድ መስዑድ፡ ንዘተ ቅሩብ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ። ነቲ ፍልልያት መዕለቢ ንምግባር ብመራሕቲ ሃይማኖት ንዝቐረበ ውጥን ከም ዝድግፎ ብምግላጽ ጣሊባን መጥቃዕትታቱ ከቋርጽ’ውን ጸዊዑ። ኣሕመድ መስዑድ ብሰንበት ብፌስቡክ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ጣሊባን መጥቃዕትታቱ እንተኣቋሪጹ፡ ሃገራዊ ግንባር ተቓውሞ ኣፍጋኒስታን ውግእ ደው ከም ዘብል ተዛሪቡ። ጣሊባን ግን ዛጊት ዝሃቦ ምላሽ የሎን። እቶ ጎቦታትን ስንጭሮን ዝበዝሖ ፓንጅሺር ካብ 150 ሽሕ ክሳዕ 200 ሽሕ ህዝቢ ዝነብረሉ ዞባ እዩ። ሃገራዊ ግንባር ተቓውሞ ኣፍጋኒስታ ንኣባላት ጸጥታ ኣፍጋኒስታን ነበርን ምልሻታት እቲ ከባብን ዘካተተ ኮይኑ ብቀቢላዊ መራሒ እቲ ከባቢ ኣሕመድ መስዑድ እዩ ዝምራሕ። ኣቦኡ ኣብ 1980ታት ኣንጻር ወራር ሶቭየት ከምኡ’ውን ኣብ 1990ታት ኣንጻር ጣሊባን ዕውት ቃልሲ ዘካየደ እዩ። ብሰንበት ክልተ ፍሉጣት መራሕቲ እቲ ግንባር ምቕታሎም ከቢድ ጸቕጢ ዝፈጥር ምዃኑ ይግለጽ። ኣፈኛ እቲ ኤንኣርኤፍ ፋሂም ዳሽቲ ከምኡ’ውን ኣዛዚ ሰራዊት ጀነራል ዓብዱል ዉዶድ ዛራ ከምኡ’ውን ካብ ወገን ጣሊባን ሓደ ፍሉጥ ጀነራልን 13 ሓለውቱን ኣብቲ ጎንጺ ከም ዝተቐትሉ እቲ ግንባር ኣፍሊጡ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58461125"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን፡ ኣመሪካዊ ጀነራል 'እቲ ጨካን ጣሊባን' ክልወጥ ከምዝኽእል ግልጺ ኣይኮነን","content":"ንጉጅለ ጣሊባን 'ጨካን' ክብል ዝገለጾ ኣመሪካዊ ጀነራል፡ እቲ ጉጅለ ባህሪኡ ክልወጥ ከም ዝኽእል ግልጺ ኣይኮነን ኢሉ። ጀነራል ማርክ ሚሌይ፡ ኣመሪካ ምስ ካልኦት ኣንጻር ግብረ ራዕዲ እስላማዊ ሓይልታት ብምትሕብባር ክትሰርሕ ከም እትኽእል'ውን ኣንፊቱ። ሰራዊት ኣመሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ካብ ኣፍጋኒስታን ጠቕሊሉ ዝወጽአ ኾይኑ፡ ንኣመሪካ እቲ 20 ዓመታት ዝወሰደ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝነበራ ጻንሒት ኲናት ተዛዚሙ ኣሎ። ነታ ሃገር ዝተቖጻጸሩ እስላመዊ ሓይልታት፡ ሓድሽ መንግስቲ ክምስርቱ እዩ ትጽቢት ዝግበር ዘሎ። እቲ ጀነራል እንታይ እዩ ኢሉ? ጀነራል ሚሌይ ምስ ሓላፊ ምክልኻል ሓይልታት ኣመሪካ ልሎይድ ኦስቲን ዝተዘራረበ ኾይኑ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ሓይሊ ኣመሪካ ካብ ካቡል ምስ ወጽአ ርእይቶ ዝሃብ ዘሎ ንፈለማ እዋን እዩ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ሰራዊት ኣመሪካ ካብታ ሃገር ዝወጽአሉ መገዲ ብሰፊሑ ተነቒፍሉ እዩ። ሃንደበታዊ ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ፡ ንዓመታት ዘሰልጠነቶም ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ኣብ ኣዝዩ ሓጺር እዋን ክሰዓሩን ክበታተኑን ምኽንያት ኮይኑ እዩ። ከምኡ ድማ፡ መብረቓዊ ግስጋሰ ጣሊባን፡ ወተሃደራት ኣመሪካን ንዐኦም ዝሰርሑ ዝነበሩ ዜጋታትን ናይ ምውጻእ ስራሕቲ ከቢድ ገይርዎ ነይሩ። እቲ ጀነራል፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቶም ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘገልግሉ ዝነበሩ ወተሃደራት ኣመስጊኑ። ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ንምውጻእ ምስ ጣሊባን ምትሕብባራት ኣመልኪቱ ሕቶ ዝቐረበሉ ኦስቲን፡ \"ኣብ ውሳናት ጉዳያት ምስ ጣሊባን ሓቢርና ሰሪሕና ኢና፤ ከምኡ እዩ ነይሩ። ብዝኸኣልናዮ መጠን ሰባት ኣውጺና ኢና\" ዝብል ምላሽ ሂቡ። ጀነራል ሚሌይ ብወገኑ፡ \"ኣብ እዋን ኲናት፣ ኣብ መስርሕ ምውጻእን፡ ወተሃደራትና ካብ ሞት ንምድሓን እቲ ክንገበሮ እንደሊ ዘይኮነስ ክንገብሮ ዝግባእ ኢና ገይርና\" ኢሉ። ወሲኹ ድማ፡ ንቕድሚት ኣንጻር ኣይኤስ ምስ ጣሊባን ሓዊሱ ምስ ካልኦት እስላማዊ ዕጡቓት ሓይልታት ሓቢራ ክትሰርሕ ትኽእል እያ ኢሉ። ጉጅለ ኣይኤስ-ከይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ 13 ወተሃደራት ኣመሪካ ሓዊሱ፡ 170 ሰባት ግዳይ ኮይኖም። አይኤስ-ከይ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ካብ ዘለዉ ኣኽረርቲ ዝበሃሉ ጉጅለታት ኣዝዩ ጫፍ ዝረገጸ ከም ዝኾነ ይዝረብ። ኦስቲን ግን፡ ንቕድሚት ምስ ጣሊባን ክህልዎም ዝኽእል ርክብ ኣመልኪቱ ኣፋፍኖት ኣይሃበን። ይኹን'ምበር፡ ገለ ሰበ ስልጣናት ኣመሪካ፡ ጣሊባን ብፍላይ ምስ'ቲ ኣኽራሪ ጉጅለ ኣይኤስ-ከይ፡ ዝህልዎ ርክብ ከም ዝውስኖ ይዛረቡ ኣለዉ። ኣብቲ ዞባ ላዕለዋይ ኮማንደር ሰራዊት ዝኾነ ጀነራል ኬኔት ማክኬንዚ ብጠቕላላ ነፈርቲ ኣመሪካ ልዕሊ 123 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ከም ዘግዓዛ ገሊጹ። ኣብዚ መዓልታዊ ብማእከላይ ልዕሉ 7500 ሰባት ክግዕዙ ከም ዝተገብረ ሓቢሩ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ድሕሪ ምውጻእ ሰራዊቱ ካብ ዋሽንግተን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ምግዓዝ \"ገዚፍ ወተሃደራዊ፣ ዲፕሎማሲያውን ሰብኣውን ተግባር\" ምዃኑን ክሳብ ሕጂ ኣመሪካ ካብ ዝወገነቶም ኣጸገምቲ ጉዳያት እቲ ሓደ ምዃኑን ተዛሪቡ። \"ሓድሽ ምዕራፍ ተጀሚሩ ኣሎ። እቲ ወተሃደራዊ ልኡኽ ኣብቂዑ ሓድሽ ዲፕሎማሲያዊ ልኡኽ ተጀሚሩ\" እውን ኢሉ። ይኹን'ምበር ጣሊባን ዜጋታት ብናጻ ካብን ናብን ንክንቀሳቐሱ ከፍቅድ፣ መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ኩሎም ዜጋታትን ክሕሉ፣ ኣሸበርቲ ጉጅለታት ኣብታ ሃገር ባይታ ከይረኽቡ ክከላኸልን ዘኽእሎ ውፍይነትን ግዴታን ንክህልዎ ሕጋውነት ክላበስ ከም ዘለዎ ኣተሓሳሲቡ። ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ንዝሓለፉ 17 መዓልታት እዚ ስርሒት ኣብ ምፍጻም ንዝተዋፈሩ ኣመስጊኑ። ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ ስዒቡ፡ ዕጡቓት ጣሊባን ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ብምእታው ነፈርቲ ዘለዎ ኣመሪካ ገዲፋቶ ዝወጽአት መኽዝን ሓዊሱ ኣብቲ ከባቢ ንዝነበሩ ቐረባት ወሪሶም። ካብ 100 ክሳብ 200 ዝኾኑ ኣመሪካውያን ዛጊድ ኣብ ኣፍጋኒስታን ከም ዝርከቡ ኣፍሊጣ ኣላ። ኣብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ዝኾነ ቪክቶሪያ ኑላንድ፡ ነቶም ዝተረፉ ኣመሪካውያን ንምውጻእ ኩሉ ዓይነት ኣማራጺ ንምጥቃም እናተፈተነ ምዃኑ ተዛሪቡ። ጣሊባን ናይ መወዳእታ ናይ ደገ ሓይልታት ናይ ምውጻእ መሰል ዘኽበረ ኾይኑ፡ ሓድሽ መንግስቲ ኣብ ምምስራት ኣትኲሩ ይሰርሕ ከምዘሎ እዩ ዝዝረብ። ኣብ ቀጠር ዝርከብ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጣሊባን ሸር አባስ ስታኔክዛ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ሓድሽ መንግስቲ ክምስት ምዃኑን፡ ገለ ትሑት ደረጃታት ሓላፊነት ንደቂ ኣንስትዮ ከም ዝወሃብ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። እንተኾነ፡ ንዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ምስ መንግስቲ ዝሰርሑ ኣካላት ኣብቲ ሓድሽ መንግስቲ ከም ዘይካተቱ ኣፍሊጡ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58419983"} {"headline":"ሃገራት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ክፍጸም ከምዝኽእል ኣጠንቂቀን ብዙሓት","content":"ብዙሓት ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ኣፍጋኒስታን መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ክፍጸም ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ከምዘለወን ኣጠንቂቐን። ዜጋታተን ናብቲ ካበቢ ካብ ምኻድ ክቑጠቡ’ውን ሓቲተን። ኣውስራልያ፣ ኣመሪካን እንግሊዝን ንዜጋታተን መጠንቀቕታ ካብ ዝሃባ ገለ ይርከበአን። ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ዝርከቡ ዜጋታተን ድማ፡ ብቕልጡፍ ካብቲ ከባቢ ክርሕቑ ኣተሓሳሲበን። ጣሊባን ንርእሰ ከተማ ካቡል ካብ ዝቆጻጸራ ጀሚሩ፡ ዛጊድ ልዕሊ 82 ሽሕ ሰባት ካብታ ሃገር ክጓዓዓዙ ምግባር ከምዝተኽኣለ ይሕበር። እቲ ቀዲሙ ዝተቐመጠ ዕለተ ገደብ 31 ነሓሰ ከይኣኸለ ዝተረፈ ዜጋታቶም መሊኦም ከውጽኡ ይጓየዩ ኣለዉ። ሕዚ’ውን ኣብ መዕርፎ ነፈርትን ካብኡ ወጻእን ኮይኖም ዝጽበዩ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተስፋ ኣይቀበጹን ኣለዉ። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ከምዝበሎ፡ ጣሊባን ዋላ ድሕሪ እቲ ዕለት ሃገራት ዜጋታተን ከውጸአ ክፈቕዱ እዮም እንተኾነ’ቲ ዕለተ ገደብ ክናዋሕ ኣይክፈቕዱን። በቲ ዝተቐመጠ ዕለት፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ምድሪ ኣፍጋኒስታን ጠቕሊሎም ክወጽኡ እዮም ዝሓቱ ዘለዉ። ካልኦትከ እንታይ ኢሎም? ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣውስትራልያ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ግብረ-ሽበራዊ ተግባር ክፈጸም ከምዝኽእል እሙን ሓበሬታ ኣለና” ኢሉ። እዚ ድማ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ገለ መእተዊ በርታት እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ዝርከቡ ዜጋታት ብቕልጡፍ ነቲ ከባቢ ክለቁ መጠንቀቕታ ምስ ኣውጸአ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት እዩ ተዋሂቡ። መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብወገኑ፡ ተመነሳሳሊ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ ኣሎ፤ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ዜጋታት ናብ ውሑስ ቦታ ክንቀሳቐሱ ይሓትት። ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ’ታ ሃገር፡ ኣብቲ ከባቢ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከፍጸም ይኽእል እዩ ይብል። እንተኾነ ካብተን ሃገራት፤ ብዛዕባ እቲ ስግኣት መጥቃዕቲ ዝርዝር ሓበሬታ ዝሃበት የላን። ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ፡ እቲ ብወተሃደራት ኣመሪካ ሓለዋ እናተገበረሉ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ፡ ካብ ዳዕሽ [እስላማዊ ጉጅለ -ኢኣይ ኤስ] መጥቃዕቲ ክበጽሖ ከምዝኽእ ዓቢ ስግኣት ኣሎ ኢሉ ምንባሩ ይዝከር። ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ጥራይ ልዕሊ 19 ሽሕ ሰባት ከምዝወጽኡ ሚስተር ብሊንከን ትማሊ ኣፍሊጡ። ኣመሪካ በቲ ዝተትሓዘላ ዕለት ዜጋታት ኣውጺኣ ንምውጻእ ከምቲ ዝወጠነቶ ተሳልጥ ከምዘላ እዩ ገሊጹ። “ኣመሪካ እዚ ጥራይ እያ ክትገብር እትኽእል” ኢሉ። ድሕሪ እቲ ዕለት’ውን እንተኾነ፡ ኣመሪካውያን ኮኑ ካልኦት ዜጋታት ወጻኢ ከምኡ’ውን ከውጽኡ ዝደልዩ ኣፍጋኒስታውያን ከወጽኡ ከምዝፈቅድ ቃል ከምዝኣተዩ ወሲኹ ተዛሪቡ። ዛጊድ ግን፡ ልዕሊ 1500 ኣመሪካውያን ኣብታ ሃገር ክህልው ከምዝኽእሉ እዩ ይግመት። ሲኣይኤን ካልኦት ትካላት ድሕነትን ኣመሪካ፡ ንዜጋታቶም ንምውጻእ ኣድላይ ዘበለ ኩሉ ይገብሩ ከምዘለዉ ይዝረብ። ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኮነ ካብኣ ወጻኢ ወተሃደራዊ ነፈርቲ ብምጥቃም ዜጋታቶም ኣብ ምትእኽኻብ ይነጥፉ ኣለዉ። ብሓፈሻ 10 ሽሕ ሰባት ብስርሒት ኣመሪካ ካብ ካቡል ንምውጻእ ገና ይጽበ ኣለዉ ተባሂሉ’ሎ። እንተኾነ ካልኦት ብዙሓት ስግኣት ዝሓድሮም ኣፍጋኒኦስታውያን ክወጽኡ ዝደልዩ ከምዘለዉ እዩ ዝንገር። ወኪላት ቢቢሲ ብዙሓት ሕጋዊ ናይ ጉዕዞ ወረቐት ዝሓዙ ኣፍጋኒስታውያን ካብ ኣፍደገ መዕርፎ ነፈርቲ ይመልስዎም ከምዘለዉ ይገልጹ። ጆ ባይደን ግን፡ ኣመሪካ ውሕስ ዝኾነ ምውጻእ ሰባት ንምቕጻል ዝካኣል ኩሉ ክትገብር እያ እዩ ዝብል። ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ብ5800 ወተሃደራት ኣመሪካን ሓደ ሽሕ ወተሃደራት እንግሊዝን ይሕሎ ኣሎ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58339996"} {"headline":"ቱርክን ቀጠርን፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ህልውና ጣሊባን ክቕጽል ዝገበራ ሃገራት","content":"ኣመሪካን ካልኦት ኣብ ኣፍጋኒስታን ሰራዊት ኣውፊረን ዝነበራን ሃገራት ምዕራብ፡ ኣብዚ ሰሙን ጠቕሊለን ካብታ ሃገር ክወጽኣ እንከለዋ ጣሊባን ናይ ደስ ደስ ካቡል ተኹሲ ጠያይቲ ሓሚሶምዋ'ዮም። ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ግን ዕጫ መጻኢኦም'ውን ክርድኡዎ ኣብ ዘይኽእሉ ኩነታት ይርከቡ። ምሕደራ ጣሊባን፡ ኣዝዩ ተረርቲ ሕግታት ሸሪዓ ዝኽተል ስለ ዝኾነ ካብ ዓለም'ውን ክንጽሎም ይኽአል'ዩ። እዚ እስላማዊ ምምሕዳር ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምላሱ፡ ሃገራት ምዕራብ ጸቕጢ ንምግባር ይዳለዋ ኣለዋ። ኣብ ሞንጎ ካብ ዓረብን እስላማውያን ሃገራትን ዝኾና ክልተ ሃገራት ድማ መተዓረቕቲ ሽማግለታት ኮይነን ምምጽአን ይዝረብ- ቀጠርን ቱርክን። ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቀረባ ምስ ጣሊባን ዘለወን ዝምድና ክጠናኸር ይገብራ ኣለዋ። ነናይ ባዕለን ዕድላት ከኣ ይጥምታ ኣለዋ፤ እዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝጸንሐ ንሕንሕ ከየጎሃህሮ ይስጋእ። ቱርክን ቀጠርን ኣብቲ ቀጠና ንእስላማዊ ምንቅስቓስ ቀረባ ኮይነን ምስ ከም ግብጺ፣ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢመራት ዓረብን ዝበላ ሃገራት ብዙሕ ግዜ ናብ ውጥጥ ይኣትዋ። እዘን ሃገራት ከምዚኦም ዝበሉ ምንቅስቓሳት ናይ ህልውና ስግኣት ገይረን'የን ዝወስድኦ። ጣሊባን ናብ ስልጣን ምምላሱ፡ ብመሰረት ሕጊ እስልምና ህዝብን መንግስን ክእዝዝ ዝደሊ ፖለቲካዊ ኣመለኻኽታ ክመጽእ ይግባእ። ኣብ 1990ታት፡ ጣሊባን ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ምስቲ ጉጅለ ስሩዕ ርክብ ዝነበረት ሰለስተ ሃገራት ጥራሕ ነይረን። እዚአን ፓኪስታን፣ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢመራት ዓረብን እየን። ድሓር፡ መስከረም 11\/2001 ኣብ ኣመሪካ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ምስ ተፈጸመ ካብ ፓኪስታን ወጻእ ክልቲአን ብወግዒ ርክበን በቲኸን። እንተኾነ ውልቀሰባት ስዑዲ ንዓመታት ብሕቡእ ገንዘባዊ ሓገዝ ክገብሩሉ ምጽንሖም ይግለጽ። ሰብ መዚ ስዑዲ ቅድም ኢሉ ንጣሊባን እንገብሮ ገንዘባዊ ሓገዝ የለን ኢሎም ብምክሓድ ብውልቂ ዝግበር ገንዘባዊ ሓገዝ ጠጠው ንምባል ተሪር ስጉምታት ከም ዘለውዎም ይምጉቱ። ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ምህላዎም ኣመሪካውያን ሕጉሳት ዘይምዃኖም ተደሚሩ ዲፕሎማሲያዊ ስራሕቲ ክሰርሓ ንዝኽእላ ሃገራት በሪ ርሒው ኣሎ። ቀጠርን ቱርክን ከኣ ምስ ጣሊባን ንምርኻብ ዝተፈላለዩ መገዲታት መሪጸን። ቀጠር፡ ምምሕዳር ፕሬዝደንት ባራክ ኦባማ እቲ ኲናት ጠጠው ንምባል ዝገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ ኣብ ግምት ብምእታው ካብ 2011 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ጀሚሩ ናይ ሰላም ጻዕርታት ምስ ጣሊባን ንዝግበር ዘተ ከተአንግድ ጸኒሓ። እዚ ኣዝዩ ዘካትዕ ጉዳይ ነይሩ። ብፍላይ ኣብታ ኣዝያ ድምቕቲ ከተማ ዶሃ ባንዴራ ጣሊባን ተሰቒሉ ምርኣይ ንብዙሓት ኣየሐጎሶምን። ንቀጠር፡ ኣብ ሞንጎ ኢራንን ስዑዲ ዓረብን ንእትርከብ ሃገር ኣገዳሲ ፖሊሲ ጉዳይ ወጻኢ ንምትግባር ን30 ዓመታት ዝዘለቐ ባህጊ ክዓቢ ሓጊዙ'ዩ። ምስ ኣፍጋኒስታን ተሪር ታሪካውን ቀቢላውን ምትእስሳርን ዘለዋ ቱርኪ ድማ፡ ከም ኣባል ኔቶ ተዋጋኢ ዘይኮኑ ልኡኻት ብምስዳድ ክትሳተፍ ጸኒሓ'ያ። ተንተንቲ ከም ዝብሉዎ፡ እዚ ኣጋጣሚ ምስ ጣሊባን ርክብ ምስ ዘለዎም ገለ ሚሊሻታት ጥቡቕ ናይ ስለላ ርክብ ክትፈጥር ሓጊዙዋ እዩ። ብተወሳኺ ቱርኪ ጣሊባን መጀመርታ ዝመጽኡሎም ናይ ሃይማኖት ኣብያተ ትምህርቲ ምስ ዘለዋ ፓኪስታን ድማ ጥቡቕ ርክብ ኣለዋ። መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ብሓያል ዕግርግር ኣብ ዝተኸበበሉ እዋን ሰብ መዚ ቱርኪ ምስ ኣመራርሓ ጣሊባን ንሰለስተ ሰዓታት ይዝትዩ ነይሮም። ወተሃደራት ቱርኪ ንሽዱሽተ ዓመታት ይጽበዩዎ ዝነበረ ናይ መጻኢ ኣሰራርሓ ከኣ ሓደ ካብ ዝተዘተየሎም ጉዳያት እዩ። \"ወራር\" ኣፍጋኒስታን ንከብቅዕ ወተሃደራት ቱርኪ ምስ ካልኦት ሓይልታት ወጻኢ ካብታ ሃገር ክወጽኡ ጣሊባን ይሓትት ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ'ውን እዚ ኣካል እቲ ሰፊሕ ኣጀንዳ ከም ዝነበረ ተንተንቲ ይገልጹ። ፕሬዝደንት ረሲጵ ጣይፕ ኤርዶጋን ካብ መራሕቲ ጣሊባን ዝተልኣኹ መልእኽታት \"ጥንቃቐ ብዝተመልኦ ብሩህ ተስፋ\" ከም ዝርእዮም ገሊጹ። ምስቲ ጉጅለ ብዛዕባ ዘለዎ ርክብ ተሓቲቱ፡ ምስ ዝኾነ ንምዝርራብ \"ካብ ዝኾነ ፍቓድ ኣይሓትትን\" ኢሉ። \"እዚ ዲፕሎማሲ'ዩ\" ክብል እውን ተዛሪቡ። ወሲኹ \"ቱርኪ ንሓድነት ኣፍጋኒስታን ጥንቃቐ ብዝተመልኦ መገዲ ኩለ መደያዊ ድጋፍ ክትገብር ድልውቲ'ያ\" ኢሉ። ጣሊባን፡ ንካቡል ምስተቖጻጸረ ቀጠር'ውን ብዙሓት ምስ ጣሊባን ክዕቀቡ እትደልዮም ርክባት ከም ዘለው ተራእዩ'ዩ። ዋላ'ኳ ስግኣት ዝተሓወሶ ይኹን ቱርኪ ግን ኣብ መሬት ምሕዝነታ ንምጉልባት ድልዱል መሰረት ካብ ሞንጎ ዘለወን ሃገራት እያ። ቀጠር እቲ ናይ ምሽምግጋል ግድኣ እቲ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ንዓመታት ዝዘለቐ ሕምስምስ ክጎድል ክገብሮ ተስፋ ተገይሩሉ ኣሎ። ዶሃ፡ ልዝባት ግጭታት ብዙሓት ተነሓናሕቲ ጉጅለታት ማእከላይ ምብራቕ መሪሓ'ያ። ድሕሪ ቀውዒ ዓረብ ግን ናይቲ ዞባ ተነሓናሕታ ዝኾና ሃገራት ንኣኽረርቲ እስላም ደጊፋ ክብላ ይኸስኣ። ብ2017፡ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢመራት ዓረብ፣ ግብጽን ባሕሬንን ቀጠር ምስ ኢራን ናይ ቀረባ ዝምድና ከም ዘለዋ ብምግላጽ መደብር ዜና ኣልጄዝራ ተጠቒማ ዘይምርግጋእ ክሰፍሕ ገይራ'ያ ብምባል ርክበን በቲኸን። ቀጠር ግን ነዚ ክስታት ትነጽጎ፤ ጸኒሐን ከኣ ርክባተን ሓዲሰን። ሕጂ እዘን ክልተ ሃገራት ምስ ጣሊባን ምዝርራብ ጀሚረን ኣለዋ። ኣብ ቀጻሊ ከኣ ቻይናን ሩሲያን ናይ ባዕለን ንሕንሕን ሒዘን ክመጽኣ ከም ዝኽእላ ይግመት። ጣሊባን፡ ናብ ስልጣን ምምላሱ ብዙሓት ስግኣታት ክምዕብሉ ይገብር ኣሎ። ህይወት ሚሊዮናት ዜጋታት እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ከኣ ንምግማቱ ኣጸጋሚ'ዩ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58429604"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን፡ መራሕቲ ጣሊባን ኣብ ውሽጢ ቤተ-መንግስቲ ክባኣሱ ምጅማሮም ምንጪታት ሓቢሮም","content":"ጉዳይ ምስረታ ሓድሽ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ዘንቀሎ ኣብ ሞንጎ መራሕቲ ጣሊባን ዓብዪ ወጥሪ ከምዝተፈጠረ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጣሊባን ንቢቢሲ ተዛሪቦም። ኣብ ውሽጢ ቤተመንግስቲ ተፈጢሩ ዘሎ ቀንዲ ምስሕሓብ ኣብ ሞንጎ ሓደ ካብ መስረትቲ እቲ ጉጅለ ሙላህ ዓብዱል ጋኒ ባራዳርን ሓደ ኣባል ካቢኔን ከምዝኾነ ኣረዲኦም። ባራዳር ኣብ ቀረባ እዋናት ካብ ህዝባዊ መድረኻት ምጥፍኡ ስዒቡ ኣብ ሞንጎ መራሕቲ ጣሊባን ዘይምርድዳእ ከምዝተፈጠረ ዘመልክቱ ግን ከኣ ዘይተረጋገጹ ጸብጻባት ክወጽኡ ጸኒሖም’ዮም። እቶም መራሕቲ’ውን ነዚ ክነጽጉ ምጽንሖም ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንኣፍጋኒስታን ዝተቖጻጸሩ ጣሊባን ካብቲ እዋን ጀሚሮም ነታ ሃገር እስላማዊት ስልጣንን መሬትን [‘እስላሚክ ኤሚሬት’] ክብሉ ብወግዒ ሰምዮምዋ። እቲ ዝቖመ ሓድሽ ካቢኔ ብደቂ ተባዕትዮን ነባራት ኣባላት ጣሊባንን ጥራሕ ተመሊኡ። ገሊኦም ድማ ግርጉራት ፈጸምቲ ናይቲ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ኣሜሪካ ዝተገበረ መጥቃዕቲ ነይሮም። ባራዳር ምስቲ ኣብ ወተሃደራዊ መርበብ ሃቃኒ ፍሉጥ ኣባል ዝኾነ ሚንስተር ጉዳያት ስደተኛታት ካሊል ኡር-ራህማን ጽንኩራት ቃላት ከምዝተለዋወጡ ሓደ ምንጪ ካብ ጣሊባን ንቢቢሲ ሓቢሩ። ኣብ ሰዓብቶም’ውን ነንባዓሎም ናብ ምጽርራፍ ከምዝኣተዉ ተፈሊጡ። እቲ ክትዕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዘጋጠመ ሓደ ኣብ ቀጠር ዝነብር ነባር ኣባል ጣሊባንን ካልእ ኣብቲ ኩነታት ተሳትፎ ዘለዎ ሰብን ኣረጋጊጾም። ሓድሽ ምኽትል ቀዳማይ ሚንስተር ባራዳር ኣብ ኣወዳድባ ሓድሽ ጊዚያዊ መንግስቲ ሕጉስ ብዘይምዃኑ እቲ ክርክር ከምዝተጀመረ ምንጪታት ወሲኾም ሓቢሮም። ነቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝተረኸበ ዓወት ብቐንዱ መን ይውንኖ ዝብል ፍልልይ እውን ቀንዲ መጓሃሃሪ እቲ ክትዕ ከምዝኾነ ይዝረብ። ባራዳር፡ እቲ ዓወት ንሱን ከምኡ ዝበሉን ብዘካየድዎ ዲፕሎማሲያዊ ቃልሲ ክመጽእ ከምዝኸኣለ ክገልጽ ከሎ፤ ኣባላት ጉጅለ ሃቃኒን ደገፍቶምን ግን ብዕጥቃዊ ቃልሲ ከምዘረጋገጽዎ ይዛረቡ። ሙላህ ዓብዱል ጋኒ ባራዳር ኣብ 2020 ምስ ዶናልድ ትራምፕ ብስልኪ ዝተዘራረበ ኮይኑ በዚ ድማ ምስ ኣሜሪካ ቀጥታዊ ርክብ ዝገበረ ፈላሚ መራሒ ጣሊባን ክኸውን ኪኢሉ። ቅድሚኡ ድማ ኣብ ምውጻእ ሰራዊት ኣሜሪካ ኣመልኪቱ ኣብ ቀጠር-ዶሃ ስምምዕ ክካየድ ከሎ ንጣሊባን ብምውካል ፊርምኡ ኣንቢሩ። ጉጅለ ሃቃኒ ድማ ኣብቶም ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣንጻር ሓይልታት ኣፍጋንን ምዕራባውያን መሻርኽቶምን ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ኢዱ ከምዝሓወሰ ይግለጽ። ብኣሜሪካ’ውን ኣሸባሪ ጉጅለ ከምዝተባሃለ ይፍለጥ። መራሒ እቲ ጉጅለ ዝኾነ ሲራጁዲን ሃቃኒ ኣብ ውሽጢ ሓድሽ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ሚንስተር ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ ብምዃን ይሰርሕ ኣሎ። ምንጪታት ቢቢሲ ካብ ጣሊባን ከምዝሓበርዎ ነቲ ዝተፈጠረ ምስሕሓብ ስዒቡ ባራዳር ካብ ከተማ ካቡል ብምውጻእ ናብ ከተማ ካንዳሃር ገይሹ’ሎ። ባራዳር ብሰኑይ ኣብ ዝተዘርግሐን ናቱ ከምዝኾነ ዝተገለጸን ቅዳሕ ድምጺ ‘ኣብ መገሻ’ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ። “ንግዚኡ ኣብ ዝሃለኹ እንተሃለኹ ኩላህና ጽቡቕ ኣለና” ኢሉ። እንተኾነ ቢቢሲ ነቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ወግዓዊ ዌብሳይታት ጣሊባን ዝተዘርግሐ ድምጺ ከረጋግጽ ኣይከኣለን። ካብ መራሕቲ ጣሊባን ንኩነታት ባራዳር ብዝምልከት ዝወሃቡ ዘለዉ መግለጺታት ግን ጥርጣረ ዝፈጥሩ ኮይኖም ኣለዉ። ወሃቢ ቓል ጣሊባን፡ ባራዳር ንዋና መራሒ ጣሊባን ክረኽቦ ናብ ካንዳሃር ከምዝኸደ ሓቢሩ ነይሩ፤ ጸኒሑ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ድማ “ስለዝደኸመ ዕረፍቲ ክረክብ ደልዩ’ሎ” ክብል ገሊጹ። ኣፍጋኒስታውያን ግን ንኹነታት ጣሊባን ክጥርጥሩ ዘኽእሎም እኹል ምኽንያት ኣለዎም። ኣብ 2015 ምስጢር ናይቲ ንኽልተ ዓመታት ሞቱ ዝሓብእዎ መስራቲ እቲ ጉጅለ ሙላህ ኦማር ወግዓዊ ከምዝገበሩ ይዝከር። ኣብቲ እዋን ብስሙ መግለጺታት የውጽኡ ነይሮም። ምንጪታት ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ ባራዳር ናብ ካቡል ብምምላስ ዛጊድ ኣብ ቅድሚ ካሜራ ቀሪቡ ብዛዕባ እቲ ዝበሃል ዘሎ ምስሕሓብ ክዛረብ ትጽቢት ይግበር ነይሩ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58568476"} {"headline":"ጣሊባን ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ዘረባ ከስምዕ ሓቲቱ","content":"ጣሊባን፡ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንመራሕቲ ሃገራት ገለጻ ክገብር ሓቲቱ፡፡ ሚኒስተር ጉዳየያት ወጻኢ እቲ ጉጅለ ነዚ ድልየቱ ዝገልጽ ደብዳበ ብሰኑይ ዝለኣኸ ኮይኑ፡ ኮሚቴ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ውሳነ ክህበሉ እዩ። ጣሊባን ብተወሳኺ ነቲ ኣብ ዶሃ ዝቕመጥ ወሃቢ ቃሉ ሱሀይል ሻሂን ኣምባሳደር ኣፍጋኒስታን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገይሩ ሸይሙ ኣሎ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንኣፍጋኒስታን ዝቖጻጸረ ጉጅለ፡ ቅድሚኡ ዝነበረ መንግስቲ ኣምባሳደር ገይሩ ዝሸሞ ውልቀ ሰብ ነታ ሃገር ከምዘይውክል ኣፍሊጡ። ሓደ ወሃቢ ቃል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝገለጾ፡ እቲ ጣሊባን ኣብቲ ሓያል ክትዕ ዝካየድሉ መድረኽ ክሳተፍ ዘቕረቦ ሕቶ ንሃገራት ኣመሪካ፣ ቻይናን ሩስያን ሓዊሱ ትሸዓተ ኣባል ሃገራት ብዘለወኦ ኮሚቴ ይርኣይ ኣሎ። እንተኾነ ኣባላት እቲ ኮሚቴ ቅድሚ እቲ ሓፈሻዊ ጉበኤ ቀጻሊ ሰኑይ ምዝዛሙ ናይ ምርኻብ ዕድሎም ዝነኣሰ ብምዃኑ፡ ብመሰረት ሕጊ ሕቡራት ሃገራት ጉላም ኣይዛክዛይ ኣምባሳደር እታ ሃገር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ክጸንሕ እዩ። ንሱ ኣብቲ ቀጻሊ ሰኑይ ብኣቆጻጽራ ፈረንጂ 27 መስከረም ዝካየድ ናይ መወዳእታ ኣኼባ እቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዘረባ ከስምዕ ትጽቢት ይግበር። ጣሊባን ግና ልኡኽቶ እቲ ኣምባሳደር ‘‘ድሕሪ ሕዚ ነታ ሃገር ኣይውክልን’’ ኢሉ። ብተወሳኺ ብዙሓት ሃገራት ንፕረዚደንት ነበር ኣሽራፍ ጋኒ ኣፍልጦ ከምዘይህበኦ እውን እቲ ጉጅለ ገሊጹ። ኣሽራፍ ጋኒ ዕጡቓት ጣሊባን ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ካቡል ምግስጋሶም ስዒቡ እዩ 15 ነሓሰ ካብታ ሃገር ወጺኡ። ኣብዚ እዋን ድማ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተዓቚቡ ይርከብ። ጣሊባን ንመንግስቲ እታ ሃገር ገልቢጦም ካብ 1996 ክሳብ 2001 ንኣፍጋኒስታን ኣብ ዘመሓደሩሉ እዋን ፡ ብጸቕጢ እቲ ኣፍልጦ ዝህብ ኮሚተ፡ እቲ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃራት ወኪል ኮይኑ ዝጸንሐ ውልቀ ሰብ ኣብ ቦትኡ ክቕጽል ተገይሩ ነይሩ። ኣብቲ ትማሊ ዝተጀመረ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት፡ መራሕቲ ሃገራት ምስ ጣሊባን ክሰርሑ ኳታር ተማሕጺና። እታ ሃገር፡ ንጣሊባን ምግላል ንፖለቲካዊ ቅልውላው ኣፍጋኒስታን ካብ ምግዳድ ዝሓለፈ ረብሓ የብሉን በሃሊት እያ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58647933"} {"headline":"ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዝተኸፈቱላ ኣፍጋኒስታን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ትምህርቲ በዂረን","content":"ጣሊባን ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዝተኸፈቱላ ኣፍጋኒስታን፡ ንደቂ ኣንስትዮ ብምኽልካል ደቂ ተባዕትዮ ተምሃሮን መምህራንን ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለሱ ፈቒዲም፡፡ ንቢቢሲ ቃለን ዝሃባ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ትምህርተን ክምለሳ ዘይምኽኣለን ከምዘሕዘነን ገሊጸን፡፡ ሓንቲ ካብተን ተምሃሮ ‘‘ኩሉ ነገር ጸልሚቱ እዩ ዝረኣየካ’’ ክትብል ተዛሪባ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ስልጣን ዝተቖጻጸሩ ሰብመዚ ጣሊባን ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮ ብዝምልከት ኣብ ሓደ ውሳነ ንምብጻሕ ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊጾም ነይሮም፡፡ ጣሊባን ናብቲ ኣብ ልዕሊ መሰላት ኣጓላትን ደቂ ኣንስትዮን ከቢድ ገደብ ኣንቢሩሉ ዝነበረ ናይ 1990ታት ዘበነ ስልጣኑ ዓይነት ምሕደራ ከይምለስ ብዙሓት ሰጊኦም ኣለዉ፡፡ ኣብቲ ሓድሽ መንግስቲ እስላማዊ ሕጊ ብዘይጠሓሰ መልክዕ ደቂ ኣንስትዮ ክመሃራን ክሰርሓን ከምዘፍቅዱ እቶም ሰበስልጣን ገሊጾም ነይሮም፡፡ እንተኾነ ሰራሕተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ጸጥታዊ ኩነታት ክሳብ ዝመሓየሽ ብዝብል ኣብ ገዝአን ክጸንሓ ዝተነገረን ኮይኑ፡ ዕጡቓት ጣሊባን ነተን ነቲ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ዘጠቓለለ ጊዝያዊ መንግስቲ ተቓዊመን ሰልፊ ዝወጻ ደቂ ኣንስትዮ ክቕጥቅጡወን ተራእዮም እዮም፡፡ እቲ እስላማዊ ጉጅል ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ንሚኒስትሪ ጉዳያት ደቂ አንስትዮ እታ ሃገር ብምዕጻው ብካልእ ተሪር ሃይማኖታዊ ሕጊታት ዘፈጽም ክፍሊ ተኪእዎ እዩ፡፡ ‘ብዛዕባ መጻኢ ህይወተይ ኣዝየ ተሻቒለ’’ ብቐዳም ኣብያተ ትምህርቲ ቅድሚ ምኽፋተን ዝወጸ መግለጺ ኩሉም ደቂ ተባዕዮ መምህራንን ተምሃሮን ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ክምለሱ ዝጽውዕ እዩ፡፡ ወሃቢ ቃል ጣሊባን ዛቢሁላህ ሙጃሂድ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝኽፈታን ሰብመዚ ኣብቲ ጉዳይ ይሰርሑ ከምዘለዉን ምግለጹ ወኪል ዜና ባክታር ጸኒሑ ሒዝዎ ኣብ ዝወጸ ጸብጻብ ኣመልኪቱ፡፡ በጽሒ ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ መጓዓዝያ ዝረኽበሉ ኩነታት ይደልዩ ከምዘለዉ እውን እቲ ወሃቢ ቃል ንቢቢሲ ገሊጹ እዩ፡፡ እተን ተምሃሮን ቤተሰበንን ግና እቲ ኩነታት ተስፋ ከምዘይብሉ እዮም ዝገልጹ፡፡ ተማሂራ ክኢላ ሕጊ ክትከውን ከምእደልይ ዝገለጸት ሓንቲ ተምሃሪት ‘‘ብዛዕባ መጸኢ ህይወተይ ተሻቒለ’’ ክትብል ገሊጻ፡፡ ካልእቲ ነባሪት ካቡል ዝኾነት ጓል 16 ዓመት ተምሃሪት እውን ‘‘ዘሕዝን መዓልቲ’’ ብምባል እቲ ስጉምቲ ከምዘጉሃያ ገሊጻ ፡፡ ‘‘ዶ\/ር ክኸውን እየ ዝደሊ ነይረ፤ ሕልመይ ግን ጠፊኡ እዩ፡፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ዝምልሱና ኣይመስለንን፤ ዋለ‘ኳ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ አንተኸፈቱ ደቂ ኣንስትዮ ክመሃራ ኣይደልዩወንን ’’ ኢላ፡፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ክመሃራ ከምዘፍቅዱን እንተኾነ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ኮፍ ኢለን ከምዘይመሃራን ጣሊባን ኣፍሊጡ ነይሩ፡፡ ኮይኑ ግና ደቂ ኣንስትዮ ፈሊኻ ንምምሃር እኹል ሃብቲ ብዘይ ምህላዉ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ትምህርቲ ክኽልከላ ከምዝኽእላ ገለ ሰባት ይዛረቡ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58614285"} {"headline":"ሓንጻጺ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ‘9\/11’ ከመይ ካብ ኢድ ኤፍቢኣይ ከምልጥ ክኢሉ?","content":"ነቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ኣብ ኣመሪካ ነፈርቲ ብምጭዋይ ምስ ህንጻታት ክላተማ ብምግባር ብዙሓት ሰባት ክሃልቁ ዝገበረ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝሓንጸጸ ካልድ ሸኽ መሓመድ፡ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ፍርዱ ይጽበ እዩ ዘሎ፡፡ ኮይኑ ግና ቅድሚ ነቲ እከይ ተግባር ምፍጸሙ ጠጠው ምባል ይከኣልዶ ነይሩ ይኸውን? ፍራንክ ፐለግሪኖ፡ ኣብ ማለዥያ ኣብ ዝርከብ መደቀሲ ክፍሊ ሓደ ሆቴል ኮፍ ኢሉ እንከሎ፡ ነፈርቲ ናብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ መንታ ህንጻ እንትጋጨዋ ዘርእይ ቪድዮ ኣብ ቴሌቪዥን ርእዩዎ፡፡ ሽዑ ንሽዑ ድማ ኣብ ኣእምርኡ ሓደ ሓሳብ ብልጭ ኢሉ፡ ‘‘ እግዚኦ! ነዚ ዝፈጸመ ካልድ ሸኽ መሓመድ ክኸውን ኣለዎ’’ ክብል ድማ ንነብሱ ተዛረባ፡፡ እቲ ድልየትን ዕላማን ምስ ባህጊ እቲ ተኸሳሲ ዝገጣጠም እዩ፤ ፐለግሪኖ ድማ ነዚ ክፈልጥ ኣብ ዘኽእሎ ፍሉይ ቦታ ነይሩ፡፡ ፍሉይ መርማሪ ኤፍቢኣይ ዝነበረ ፐለግሪኖ፡ ነቲ ተኸሳሲ ዳርጋ ን 30 ዓመታት ተኸታቲልዎ እዩ፤ ዛጊድ ግን ፍርዲ ኣይተውሃቦን። ጠበቓ መሓመድ ንቢቢሲ ከምዝገለጾ ድማ እቲ ጉዳይ መዕለቢ ክረከብ ገና ካልእ 20 ዓመት ክውስድ ይኽእል እዩ፡፡ መራሒ ኣልቃዒዳ ዝነበረ ኦሳማ ቢን ላደን፡ እቲ ቀንዲ ሃንዳሲ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ‘9\/11’ ተገይሩ እዩ ዝውሰድ ነይሩ፡፡ እቲ ሓቂ ግና እቲ ‘‘ቀንዲ ሓንጻጺ’’ መሓመድ ከምዝኾነ እዩ ነቲ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝምርምር ኮምሽን ዝገልጽ፡፡ ነቲ ሓሳብ ኣመንጭዩ ናብ ኣልቃዒደቃ ዝወሰዶ ንሱ እዩ፡፡ ኣብ ኩዌት ዝተወለደ መሓመድ፡ ቅድሚ ኣብቲ ናይ 1980ታት ኲናት ኣፍጋኒስታን ምክፋሉ ኣብ ኣመሪካ እዩ ተማሂሩ፡፡ ቅድሚ መጥቃዕቲ ‘9\/11’ መርማሪ ኤፍቢኣይ ፍራንክ ፐለግሪኖ፡ ኣብ ናይ መሓመድ መጋባእያ ነይሩ፡፡ ኣብቲ እዋን ፐለግሪኖ ነቲ ኣብ 1993 ኣብ ማእከል ንግዲ ዓለም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባ ክምርምር ተመዲቡ ነይሩ፡፡ ሽዑ እዩ ድማ ሽም መሓመድ ንፈለማ እዋን ናብ እዝኒ ሰብ መዚ ኣመሪካ ዝኣተወ፤ ምኽንያቱ ናብ ሓደ ካብቶም ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት ብባንኪ ገንዘብ ልኢኹ ስለዝነበረ እዩ፡፡ ኣብ 1995 ኣብ ልዕሊ ብዙሓት መገዲ ኣየራት መጥቃዕቲ ንምፍጻም ምስ ዝተሓንጸጸ ግብረሽበራዊ ትልሚ ሽሙ ምስተተሓሓዘ ድማ ፐለግሪኖ መጠን ድልየት መሓመድ ክርዳእ ክኢሉ፡፡ ኣብ መፋርቕ 90ታት ተኸታቲሉ ኣብ ኳታር ክሕዞ ቀሪቡ ነይሩ፡፡ ፐለግሪኖ ዝሓዛ ጉጅለ ንመሓመድ ኣሲራ ንምውሳድ ነፋሪት አዳልያ ኣብ ኦማን በጺሓ፤ ኮይኑ ግና ዕግርግር ከይፍጠር ብምስጋእ ኣብ ባይታ ዝነበሩ ዲፓሎማሰኛታት ኣመሪካ፡ ክፈቕዱ አይከኣሉን፡፡ ጸኒሑ ድማ ሰብመዚ ኳታር መሓመድ ከምዝጠፈኦም እቲ ኣምባሳደር ንፐለግሪኖ ነጊርዎ፡፡ ኣዝዩ ከምዝሓረቐ ብምግላጽ ድማ ወርቃዊ ዕድል ከምዘባኸኑ ይዛረብ፡፡ ኣብ መፋርቕ 90ታት መሓመድ ከም ቀንዲ ተደላዪ ከምዘይነበረ እዩ እቲ መርማሪ ዝገልጽ፡፡ ኣብ ዝርዝር 10 ኣዝዮም ተደለይቲ ኣመሪካ እኳ ክረኽቦ ኣይከኣለን፡፡ ‘‘ ብዙሓት ዝገደዱ ግብረሽበራውያን ኣለዉ ኢሎምኒ ነይሮም’’ ይብል፡፡ ብኣመሪካ ከምዝድለ ዝተረደአ ዝመስል መሓመድ ካብ ኳታር ወጺኡ ናብ ኣፍጋኒስታን ኣትዩ፡፡ ሽሙ ምስ ብዙሓት ምንቅስቓሳት ግረሽበራ ክለዓል ዝጀመረ መሓመድ ኣብቲ እዋን እዩ አብረርቲ ኣሰልጢንካ ነፈርቲ ናብ ህንጻታት ኣመሪካ ብምልታም መጥቃዕቲ ምፍጻም ዝብል ሓሳብ ሒዙ ናብ ኦሳማ ቢን ላደን ዝቐረበ፡፡ ካብኡ መጥቃዕቲ ‘9\/11 ኣጋጢሙ’፡፡ ሓንጻጺ እቲ መጥቃዕቲ መሓመድ ከምዝኾነ ሓደ ቀንዲ ኣባል ኣልቃዒዳ ምስገለጸ ድማ ጥርጣረ ፐረግሪኖ ሓቂ ኮይኑ ተረኺቡ፡፡ ‘‘ንሱ ምዃኑ ምስ ኣረጋገጽና ካባይ ንላዕሊ ዝጎሃየ ኣይነበረን’’ ይብል፡፡ መሓመድ ኣብ 2003 ኣብ ፓኪስታን ተታሒዙ ተኣሲሩ ፡፡ ፐለግሪኖ ድማ በቲ ዝፈጸሞ ገበን ናብ ፍርዲ ክቐርብ እዩ ዝብል ተስፋ ነይሩዎ፡፡ ግን ደሃዩ ጠፊኡ፡፡ ነቶም ገበናት ክኣምን ብዙሕ መግረፍትን ስቅያትን ዝተፈጸሞ መሓመድ፡ ብዛዕባ ዝሓንጸጾም ብዙሓት መጥቃዕቲታት ኣሚኑ ነይሩ፡፡ ኮይኑ ግና መብዛሕተኦም ዝዛረቦም ሓቂ ከምዘይነበሩ ጸብጻብ ሰኔት የመልክት፡፡ ኣብ 2006 ኣዝዮም ዝድለዩ ተጠርጠርቲ ናብ ጓንታናሞ በይ ምስተወሰዱ ግና መርመርቲ ኤፍቢኣይ ክረኽቡዎም ተፈቒዱ፡፡ አብ ጥሪ 2007 ድማ ፍራንክ ፐለግሪኖ ምስቲ ንዓመታት ክሃድኖ ዝጸንሐ መሓመድ ንፈለማ እዋን ገጽ ንገጽ ተራኺቦም፡፡ እንታይ ከምዝበሎ ንምዝራብ እኳ ፍቓደኛ እንተዘይኮነ ንመሓመድ ግን ‘‘እመኑ ኣይትእመኑ ተጻዋታይን ጽቡቕን እዩ’’ ክብል ገሊጽዎ፡፡ ክረኣይ ዝፈቱን ጣዕሳ ዝበሃል ዘይረኣዮ ከምዝኾነን እውን ይገልጽ፡፡ ነቲ ኣብ 9\/11 ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ፍትሒ ንምርካብ ዝተገበረ ፈተነታት ኣይሰመረን፡፡ ኣብ ኒውዮርክ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ መጋባእያ እውን ብተቓውሞ ህዝብን ፖለቲካን ተዓናቒፉ እዩ፡፡ ‘‘ኩሉሰብ ኣብዚ ክንርእዮ ኣይንደልን፤ ኣብ ጓንታናሞ ኣቐምጥዎ ኢሉ’’ ይብል ፐለግሪኖ፡፡ ኣብ ጓንታናሞ ተጀሚሩ ዝነበረ ወታሃደራዊ መጋባእያ እውን ብምኽንያት ምድንጓያት ዳሓር ድማ ብምኽንያት ኮቪድ እቲ ማእከል ስለዝተዓጸወ እቲ መስርሕ ክጓተት ክኢሉ ፡፡ ኣብዚ ሰሙን ብዙሓት መጋባእያታት ይሳለጡኳ እንተሃለዉ መወዳእትኡ ግን ገና እዩ ዝመስል፡፡ ናይ ዳያኑ ምቅይያር ካልእ ነቲ መስርሕ ዘጓተተቶ ኮይኑ ኣብዚ እዋን ተሸይሙ ዘሎ ሓድሽ ዳይና ድማ ኣብቲ ‘‘ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ዝዓበየ መጋባእያ ገበን’’ ቅድሚኡ ናይ ዝተኻየዱ መጋባእያታት ኣስታት 35 ሽሕ ገጽ ሰነዳት ንምርኣይን ንምርዳእን ግዘ ክወስደሉ እዩ፡፡ ፕለግሪኖ ናይ መሓመድ ወታሃደራዊ መጋባእያ ፍጻመ ንምርኣይ ክብል ጥሮታ ዝወጸሉ እዋን ብሰለስተ ዓመት ኣናዊሕዎ ነይሩ፡፡ ‘‘ካብ ስራሕ እንከይተሰናበትኩ መወዳእትኡ እንተዝርእይ ጽቡቕ ነይሩ’’ ይብል፡፡ ኮይኑ ግና ክሰልጥ ብዘይምኽኣሉ፡ ብጥሮታ ተሰናቢቱ ክወጽእ ተገዲዱ፡፡ ንመሓመድ ኣብ 90ታት ሒዝናዮ እንተንኸውን ንመጥቃዕቲ 9\/11 መትረፍናዮዶ ዝብል ሓሳብ ይርብሾን ኣብ ስርሑ ዕዉት ከምዘይነበረ ክስመዖ ከምዝገብርን ይዛረብ፡፡ ‘‘ሽሙ መዓልታዊ እዩ ናብ ኣእምሮይ ዝመላለስ፤ ጽቡቕ ሓሳብ እውን ኣይኮነን’’ ይብል ፐለግሪኖ፡፡","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58474495"} {"headline":"ኣመሪካ፡ ኣይኤስ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል መጥቃዕቲ ክፍጽም ከምዝኽእል ኣጠንቂቓ","content":"ኣመሪካ፡ እቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከብ ኣካል ኣይኤስ [ዳዕሽ] ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል መጥቃዕቲ ክፍጽም ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ከምዘለዋ ኣጠንቂቓ። ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ‘ናይ ድሕነት ስግኣት’ ከምዘሎ ዝሓበረ፡ ካብ መንግስቲ ኣመሪካ ዝተውሃበ እዚ ናይ ድሕነት መጠንቀቕታ፡ ዜጋታታ ካብ'ቲ ከባቢ ክርሕቑ ኣጠንቂቑ። ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ክኸዱ ዝግባእ ሰባት ብመገዲ መንግስቲ ኣመሪካ ዝተነግሮም ጥራይ ክኸውን ከምዝግባእ ኣብቲ ናይ ድሕነት መጠንቀቕታ ሓበሬታ ተገሊጹ። ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ኣመሪካ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዘሎ ምዕባለ ይከታተሎ ከምዘሎን ኣማራጺ መውጽኢ መገድታት ይርኢ ከምዘሎን ሓቢሩ። እቲ ብኣመሪካ ዝወጽአ መጠንቀቕታ ብዝምልከት ዛጊድ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተውሃበን፤ እቲ እስላማዊ ጉጅለ’ውን ንዕኡ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ዕላዊ መግለጺ የለን። እቲ ትማሊ ካብ መንግስቲ ኣመሪካ መጠንቀቕታ ቀዳም ዝተውሃበ፡ ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ምስተቖጻጸሩ ኣብ ጥቓ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ዘጓንፍ ዘሎ ዕግርግርን ናይ ኣሸሓት ምጽቕቓጥን ስዒቡ እዩ። እቲ እስላማዊ ጉጅለ ጣሊባን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መላእ እታ ሃገር ግስጋሰ ከርኢ ምስ ጸንሐ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንርእሰ ከተማ ኣፍጋኒስታን ካቡል ምቁጽጻሩ ይዝከር። ብዙሓት ሰባት፡ ካብታ ሃገር ክወጽኡ ብምትስፋው፡ ኣብ ጥቓ እቲ መዕርፊ ነፈርቲ ተኣኪቦም ይጸቓቐጡ ኣለዉ። ምስ መንግስቲ ኣመሪካ ክሰርሑ ዝጸንሑን ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ክነጥፉ ዝጸንሑ ዜጋታተት እታ ሃገር፡ ጣሊባን ናይ ሕነ ምፍዳይ ስጉምቲ ከይወስደሎም ይፈርሑ። ትማሊ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ እንታይ ኣጓኒፉ? ኣብታ ሃገር፡ ወኪል ስካይ ኒውስ፡ ስቶርት ራምሳይ፡ ካብ መንጎ እቶም በኣሸሓት ዝቑጸሩ ኣብ’ ኣፍደገ መዕርፎ ነፈርቲ ዝርከቡ ሰባት፡ ገለ ኣብ ቅድሚት ዝነበሩ ንሓደጋ ሞት ከምዘተቓልዑ ይዛረብ። ገለ ወተሃደራት እንግሊዝ፡ ካብቶም ንሓደጋ ዝተቓልዑ ኣሸሓት ንገለ ስሒቦም ከድሕኑ ተራእዮም። ገለ ሰባት ክሳብ ሞት ዘብጽሕ ጉድኣት ከምዘጓነፎም ብምግላጽ፡ እቲ ተጓንፎ ዛጊድ እቲ ዝኸፍአ እዩ ኢልዎ። ኣብቲ ናይ ትማሊ መብርሂ ከምዝተሓበረ፡ 2500 ኣመሪካውያን ዝርከብዎም 17 ሽሕ ሰባት ካብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ወጺኦም ኣለዉ። ገለ ካብቶም ክወጽኡ ዝፈተኑ ኣመሪካውያንን ኣፍጋኒስታንን ምንክልባት ከምዝበጽሖም ሓደ በዓል ስልጣን ተዛሪቡ። ቃል ወሃቢ ሚነሲእተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ግን፡ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ዘጓንፍ ዘሎ ምጽቕቓጥ ንምትራፍ መምርሒ ከምዘውጸአ ንቢቢሲ ገሊጹ። ምስ ሕድሕድ ኣመሪካዊ ዜጋ ምዝርራብ ዘኽእሎ ናይ ርክባት መገዲ ከምዝዘርግሑ’ውን ገሊጹ። ካልኦት ሃገራት’ውን ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ዜጋታቶም መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፎም ኣለዉ። ጀርመንን ስዊድን ኣብ’ቲ መዕርፎ ነፈርቲ ዘሎ ናይ ድሕነት ጸገም ኣመልኪቶም ንዜጋታቶም መጠንቀቕታ ካብ ዘውጽኡ ሃገራት ገለ እዮም። ንግዚኡ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ወተሃደራት ኣመሪካ ዝተቖጻጸርዎ ኾይኑ፤ ንዜጋታት ኣመሪካን ካልኦት ንድሕነቶም ዝሰግኡን ሰባት ብቻርተርድ በረራ ከውጽኡ እናሓገዙ ይርከቡ። እንተኾነ፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ነሓሰ 31 ካብቲ ከባቢ ክተወጽእ ምዃና ዝዝረብ ኮይኑ፡ ብድሕሪኡ ኣብቲ ከባቢ እንታይ ከምዘጋጥም ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ። ዋና ጸሓፊ ኪዳን ኣትላንቲክ [ኔቶ]፡ ጄንስ ስቶልተንበርግ ግና፡ ብድሕሪኡ’ውን እንተኾነ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ኢዶም ክጸንሕ ገለ ሃገራት ይሓታ ከምዘለዋ ሓቲቱ። ካብኣተን ሓንቲ፡ እንግሊዝ ትርከብን። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ዮሴፍ ቦሬል፡ ኣመሪካ ክሳብ እቲ ዕለት ኩሎም እቶም ክወጽኡ እትደልዮም ወዲኣ ክተውጽእ ዝሕሰብ ኣይኮነን ኢሉ። ትማሊ ኣላባማ ኣብ ዝተብሃለት ግዝኣት ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ምስሓብ ወተሃደራት ኣመሪካ ብምንቃፍ፡ “ካብ ሓደ መራሒ ኣመሪካ ከምዚ ዓይነት ስንፍና ክረአ ዝገርም እዩ” ክብል ነቒፉ። ቅድሚ 20 ዓመታት ናብታ ሃገር ወተሃደራት ዝለኣኸ ቀዳማይ ሚኒስተር እንግሊዝ ዝነበረ ቶኒ ብሌር ብወገኑ፡ እቲ ምስሓብ ወተሃደራት ‘ኣዝዩ ሓደገኛን ኣድላይ ዘይኮነን’ ክብል ነቲ ብምምሕዳር ፕረዚደንት ባይደን ዝተወስደ ስጉምቲ ነቒፉ። ኣብ መግለጺኡ፡ እንግሊዝ ኩሎም ዝሰግኡ ሰባትን ዜጋታትን ክሳብ ዝወጽኡ፡ ወተሃደራታ ኣብኡ ናይ ምጽናሕ ግዴታ ኣለዋ ኢሉ። ሓይሊታት ጣሊባን ከ? እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ጣሊባን ነታ ርእሰ ከተማ ካብ ዝቆጻጸሩ ንነጀ ስልጣኖም የጠናኽሩ ኣለዉ። ሓደ ካብ መስረትቲ እቲ ጉጅለ ዝኾነ፡ ሙላህ ኣብዱል ጋኒ ባራዳር፡ ናብ ካቡል ኣምሪሑ ኣብ ምስረታ ሓድሽ መንግስቲ ይዘራረብ ከምዘሎ ይዝረብ። ንሱ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ጉጅለ እቲ ዝለዓለ ተፈላጥነት ዘለዎ ሰብ ኮይኑ፡ መራሒ እታ ሃገር ናይ ምዃን ተኽእሎ ከመዘሎ ይዝረብ። ሓደ በዓል ስልጣን ንሮይተርስ ከምዝበሎ፡ ጣሊባን ክምስርትዎ ዝህቅኑ ዘሎ መንግስቲ ከም’ቲ ምዕራባውያን ‘ዲሞክራስያዊ’ ዝብለዎ ዓይነት እንተዘይኮነ’ኳ፡ መሰል ሕድሕድ ዜጋታት ዘኽብር ክኸውን እዩ። ሚስተር ባራዳር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2020፡ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ወተሃደራቱ ካብታ ሃገር ንከውጽእ ዝተፋራረመ መራሒ ጣሊባን እዩ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58297169"} {"headline":"ጆ ባይደን፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ካልኣይ መጥቃዕቲ ክፍጸም ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ","content":"ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ነጊሮምኒ ኢሉ ከምዝገለጾ፡ እቲ መጥቃዕቲ ምናልባሽ’ውን ሎሚ ሰንበት ክፍጸም ይኽእል እዩ ። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣመሪካውያን ዜጋታት ካብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ንገዛእ ርእሶም ከርሕቑ ኣጠንቂቑ ኣሎ። ኣመሪካ ሕዚ’ውን ሰባት ምግዓዝ ቀጺላ’ኳ እንተሃለወት፡ ወተሃደራት እንግሊኦዝ፣ ዲፕሎማሰኛታትን ሰብ መዝን ካብ ካቡል መሊኦም ወጺኢም ኣለዉ ተባሂሉ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ናይ 170 ሰባት ህይወት ኣስኢኑ ተባሂሉ። ኾራሳን ኣብ ዝተብሃለት ክልል ዝርከብ ጨንፈር ጉጅለ ዳዕሽ [ኣይኤስ] ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሞ ሓላፍነት ወሲዱ ኣሎ። ምስ’ዚ ብዝዛመድ ድማ፡ ከም ግብረ ምላሽ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ መጥቃዕቲ ድሮን ብምፍጻምን ንክልተ ላዕለዎት ሓለፍቲ’ቲ ጉጅለ ከምዝቐተለት ገሊጻ። እቶም ተቐቲሎም ዝተብሃሉ ሓለፍቲ ኣብ ምውዳድ እቲ መጥቃዕቲ ምስታፎሙን ዘይምስታፎሙን ዝተፈልጠ ነገር የለን። ጆ ባይደን ኣብቲ ሎሚ ሰንበት ዝወጽአ መግለጺ፡ “እዚ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ኣይኮነን፤ ኣብዚ ተግባር ዝተሳተፈ ኩሉ ዋግኡ ክሳብ ዝረክብ ክንቅጽለሉ ኢና” ኢሉ። እዚ ጨንፈር [ኣይኤስ-ከይ]፡ ካብቶም ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ እስላማዊ ጉጅለታት፡ እቲ ኣዝዩ ሕሉፍ ኣኽራሪ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ። ምስ ጣሊባን ድማ፡ ሰፊሕ ኣፈላላይ ከምዘለዎምን፡ ምስ ኣመሪካ ዝገበርዎ ውዕል ከምዝቃወምን ይገልጽ። ጣሊባን ነቲ ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝተወስደ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ዝተቓወመ ኾይኑ፡ ወሃቢ ቃል ጣሊባን ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ‘መጀመርታ ምሳና ከማኸሩ ነይርዎም’ ኢሉ። ወተሃደራት ኣመሪካ ክወጽኡ ዝጀመሩ ኾይኖም፡ ሕዚ ካብቶም 5800 ኣብኡ ዝተረፉ 4 ሽሕ ጥራይ ከምዝኾኑ ይዝረብ። ሰብ መዚ ኣመሪካ ከምዝብልዎ፡ እተን ዝቕጽላ ሒደት መዓልታት ኣዝየን ሓደገኛታት ክኾና ከምዝኽእላ ስግኣቶም ገሊጾም። ሕዚ ካብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ከግዕዙ ካብ ዘለዎም ዜጋታት ሓደ ሽሕ ጥራይ እዮም ዝተርፉ ተባሂሉ። ኣፍጋኒስታን ንመብዛሕተኦም ኣፍጋኒስታውያን ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ምሕላፍ ካሊኦምዎም ተባሂሉ። ጣልያን ካብ ካቡል ዝበዝሑ ኣፍጋን ዝወሰደት ኣውሮጳዊት ሃገር ኮይና፡ ዛጊድ 5 ሽሕ ሰባት ኣግዒዛ ከምዘላ ኣፍሊጣ። ጀርመን 4 ሽሕ፤ ፈረንሳይ ድማ 2800 ሰባት ኣፍጋን ወሲዳ። ኣብዝሓ፡ ኣፍጋኒስታውያን ካብታ ሃገር ብነፋሪት ናይ ምውጻእ ሕልሞም ደጊም ዘይሕሰብ እንትኸውን፡ ብፓኪስታን ኣቢሎም ብምድራዊ ዶባት ይወጽኡ ከምዘለዉ ይዝርብ። ፈራንሳይን ብሪጣንያን፡ ኣብ ካቡል ዜጋታት ዝወጽእሉ ነጻ ዞባ ክፍጠር ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቲተን ኣለዋ። ኣብታ ሃገር ቁጠባዊ ቅልውላው ከየጋጥም ተሰጊኡ ዘሎ ኾይኑ፡ ትማሊ ቀዳም ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣፍደገታት ባንክንታት ተቓውሞ ከስምዑ ተራእዮም።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58374302"} {"headline":"ሽንጥሮ ፓንዢር፡ እታ ክሳብ ሕጂ ጣሊባን 'ክስዕራ' ዘይክኣለ ሽንጥሮ ኣፍጋኒስታን","content":"ፓንዢር፡ ካብ ርእሰ ከተማ ኣፍጋኒስታን ካቡል ንኣንፈት ሰሜን ምዕራብ ኣስታት 150 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ትርከብ። እዛ ሽንጥሮ፡ ብእምባታት ዝተኸበበት ኮይና እታ ናይ መወዳእታ ኣብ ትሕቲ ጣሊባን ዘይኣተወትን ኣንጻር እቲ ጉጅለ ዝቐንዐ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝካየደላ ዘላን እያ። ኣብ ዝሓለፉ 40 ዓመታት'ውን ወራር ዝተፈላለዩ ሓይልታት ከተፍሽል ጸኒሓ። ሽንጥሮ ፓንዢር፡ ኣብ 1980ታት [ካብ 1979 ክሳብ 1989] ንወራር ሶቭየት ሕብረት [ናይ ሕጂ ሩሲያ] መኪታ ብርክት ዝበላ መካይን ሶቭየትን ወተሃደራት መንግስቲ ኣፍጋንን ናብ ዝመጽኦ መሊሳ። ኣብ 1990ታት'ውን [ካብ 1996 ክሳብ 2001 ኣብ ዘሎ ግዜ] ኣንጻር ጣሊባን ተዋጊኣ፤ ሓያል ድፋዕ ተቓወምቲ እዚ እስላማዊ ጉጅለ ከኣ ኮይና። \"ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣለዋ ካብ ዝብሃላ ውሑሳት ዞባታት ሓንቲ'ያ ነይራ\" ትብል ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሜሪያም ኣማን። ሕጂ ድማ፡ ካብ መላእ 34 ግዝኣታት ኣፍጋኒስታን ንበይና ኣብ ኢድ ጣሊባን ዘይወደቐት ክትከውን እንከላ፡ ጣሊባን ግን እቲ ከባቢ ንምቁጽጻር ሓይልታቱ የዋፍር ከም ዘሎ ገሊጹ። ሓላፊ ክፍሊ ቑጠባ ፓንዢር ኣብዱል ራሕማን ኣብዚ ሰሙን \"ንኻልኣይ ግዜ ንጣሊባን ክንስዕሮ ድሉዋት ኢና\" ኢሉ ነይሩ። ቐዳማይ ምኽትል ፕረዝደንት መንግስቲ ኣሽራፍ ጋህኒ ዝኾነ ኣምሩላህ ሳልሕ'ውን ነዚ ሓሳብ ደጊሙዎ'ዩ። ፕረዚደንት እታ ሃገር ጣሊባን ንካቡል ክቆጻጸር እንከሎ ቅድሚ 11 መዓልቲ ሃዲሙ ክወጽእ እንከሎ፡ ሕጂ'ውን ኣብታ ሃገር ምህላው ዝገልጽ ምኽትል ግን \"ሕጋዊ ፕረዚደንት እዋን ስግግር\" ኣነ እየ ይብል። ሳልሕ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ህዝቢ ኣፍጋን ናብቲ ኣብታ ሽንጥሮ ተጀሚሩ ዘሎ ቓልሲ ተቓውሞ ክጽምበር ሓቲቱ ኣሎ። እቲ ምንቅስቓስ ንመላእ ሃገር ኣብነት ክኸውን ከም ዝክእል'ውን ሓቢሩ። \"ኣብ ትሕቲ ሓደ ገዛ ምስ ጣሊባን ክርከብ ኣይኽእልን። ፈጺመ!\" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። እዚ መልእኽቲ ንብዙሓት ኣፍጋናውያን ዘእምን ክኸውን ይኽእል'ዩ ትብል ጋዜጠኛ ኣማን። እቲ ምኽትል ፕረዚደንት ኣብ ጎኒ እቶም ብወዲ 'ኣንበሳ ፓንዢር' ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓርበኛ እታ ግዝኣት ዝኾነ ኣሕመድ ሻ መስዑድ ዝኾነ ኣሕመድ መስዑድ ይምርሑ ከም ዘሎው ይእመን። ኣሕመድ ሻ መስዑድ፡ ኣብ 1990ታት ኣንጻር ጣሊባን ዝነበረ ተቓውሞ ዝመርሐ እዩ። ወዱ መስዑድ መስራቲ እቲ ሕጂ ኣብ ሽንጥሮ ፓንዢር ዝቐንዐ ጥምረት ኣንጻር ጣሊባን ኮይኑ፡ እቶም ሓይልታት ንባዕሎም ብሄራዊ ግንባር ተቓውሞ [NRF] ኢሎም ይጽውዑ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መስዑድ ንዋሽንግተን ፖስት ኣብ ዝሃቦ ቃል \"ፓንዢር ከም ናይ መወዳእታ ዕርዲ ናጽነት ኣፍጋኒስታን ክንከላኸል ኢና\" ብምባል ሃገራት ምዕራብ ነዚ \"ናይ ናጽነት ጉዳይ\" ክድግፋ ጸዊዑ። ንምዃኑ ብዛዕባ ፓንዢር እንታይ ንፈልጥ? እቶም ንቃለስ ኣለና ዝብሉ ሓይልታትኸ? ሓላፊ ርክባት ወጻኢ ኤንኣርኤፍ ዓሊ ናዛሪ፡ እቲ ተቃውሞ ጸገማት እታ ሃገር ብሰላማዊ መገዲ ንክፍትሑ'ውን ዝጠልብ ምዃኑ'ኳ እንተገለጸ ካብ ጣሊባን ንዝመጽእ መጥቃዕቲ ዝምክቱ ኣሽሓት ወተሃደራት ከም ዘለዎም ግን ገሊጹ። ኣብቲ ሽንጥሮ ዝሰልጠኑ ሓይልታት ከምኡ'ውን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል መንግስቲ ኣፍጋን ዝነበሩን ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣንጻር ጣሊባን ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓትን ከም ዘለው ሓቢሩ። ብተወሳኺ እቶም ተቓወምቲ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ እቲ ከባቢ ካልእ ጸጋ ከም ዝኾኖም ይዛረቡ። ኣጻድፍን ሽንጥሮን ፓንዡር ናብ ዕርዲ ተቐይሮም እንትዋጉኡሎም፡ እቶም እምባታት ከኣ ክንዲ ክሳድ ጠርሙዝ ዝኸውን መእተዊ ስለ ዘለዎም ብቐሊሉ ነቶም እምባታት ሰይርካ ምእታው ኣጸጋሚ ኩነታት ዝፈጥሩ'ዮም። ሩባ ፓንዡር ተሳጊርካ ድማ፡ እቲ ሽንጥሮ ሂንዱ ኩሽ ንዝብሃል ኣብ ሞንጎ ኣፍጋኒስታንን ሰሜን ምዕራብ ፓኪስታንን ዝርከብ እምባ ዝተጸግዐ ኮይኑ ንረኽቦ። እዚ መገዲ፡ ሰራዊት እቲ ናይ መወዳእታ ንማእከላይ ኤዥያ ዘገበረ ኣሌክሳንደር ዘ-ግሬት ናብዛ ሃገር ክሳገር ዝተጠቐመሉ ወሳኒ መገዲ ነይሩ። እዚ ዞባ ከም ናይ ንፋስ ሕርሻ፣ ግድባት ሃይድሮኤሌክትሪክ፣ መዓድናት ዝበሉ ጸጋታት ዝሓቖፈ'ዩ። ኣመሪካ ድማ ኣብዚ ከባቢ ትሕተ ቕርጺ መገዲታት ክትሃንጽ እንከላ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ካቡል ናይ ሬድዮ ኣገልግሎት ክመጽኣሉ ዝኽእል ኩነታት ክፍጠር'ውን ገይራ። ይኹን'ምበር፡ ብመዳይ ቑጠባ እንተርኢና ኣብታ ሃገር ኣገደስቲ ካብ ዝብሃሉ ከባቢታት ኣይኮነን። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሃሩን ሻፊቕ፡ እቲ ከባቢ \"ንደባይ ውግእ ምቹእ'ኳ እንተኾነ ስትራቴጂካዊ ቦታ ግን ኣይኮነን\" ኢሉ። ወሲኹ \"ንዝኾነ ኣገዳሲ ወደብ ወይ'ውን ኢንዳስትሪ ቐረባ ኣይኮነን፤ ዓመታዊ ንሃገራዊ ምህርቲ ዝውስኾ ነገር የለን\" ኢሉ። ኣብቲ ከባቢ ካብ 150 ሽሕ ክሳብ 200 ሽሕ ነበርቲ ከም ዘለው ይግመት። ኩሎም ቋንቋ ፐርሺያ ዝዛረቡ ኮይኖም፡ ተወለድቲ ብሄር ታጂክ'ዮም። ታጂክ፡ ርብዒ እቲ 38 ሚሊየን ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝነብር ህዝቢ ዝሽፍኑ'ዮም። ብታሪኽ ኣንጻር ጣሊባን ዝኾነ ህዝቢ ምዃኑ ይፍለጥ። 'ምልክት ተቓውሞ' ኣብ ታሪኽ ተቓውሞ ፓንዢር ጎሊሑ ዝለዓል ኣሕማድ ሻ መስዑድ እዩ። ሞት ኣሕማድ ሻ መስዑድ ንብዙሓት ኣፍጋናውያን ዘሰንበደ ነይሩ። ንሱ፡ ፍሉጥ ተቓላሲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣንጻር ጣሊባን ዘለዓዓለ ኮይኑ፡ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ኣመሪካ ኣብ መስከረም 9\/11 [2001] ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብኣልቃዒዳ ተቐቲሉ። ኣብቲ ዞባ ካብ 1980ታት ክሳብ 1990ታት ንርእሰ ምሕደራ ዝካየድ ዝነበረ ቓልሲ መሪሑ'ዩ። \"ኣንበሳ ፓንዢር\" ብዝብል ሳጓ እዩ ዝፍለጥ። ፓንዢር ማለት - \"ሓሙሽተ ኣናብስ\" እዩ። ካብ ሓወልቲ ክሳብ ኣብ መወዓውዒ ዝተስኣለ ስእልን ኣብ መስኮት ድኳናት ዝተሰቕሉ ምስልታትን እቲ ሓርበኛ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ካቡል ብቀንዱ ከኣ ኣብ ግዝኣት ፓንዢር ይርከቡ። ጋዜጠኛ ኣማን \"ፓንዢር፡ ኣብ 1980ታት ኣንጻር ኣፍጋን-ሶቭየት ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ዕርዲ ኣሕማድ ሻ መስዑድ'ያ ነይራ\" ትብል። ጣሊባን ካብ ስልጣን ክወርድ እንከሎ'ውን፡ ኣብቲ ሽንጥሮ ኣብ ሞንጎ ዕጡቓትን ጣሊባንን ከበድቲ ውግኣት ከም ዝተኻየደ ትገልጽ። \"መስዑድ ኣብ 2001 ካብ ዝመውት ንድሓር እታ ዞባ ውርሻ ተቓውሞ ኮይና ቐጺላ . . . እዚ ኣንጻር ጣሊባን ዝካየዱ ዝነበሩ ውግኣት ማለት'ዩ\" ትብል። ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ሃሚድ ካርዛይ ብሄራዊ ጅግና ተባሂሉ ይጽምበል ነይሩ። ካብ 2012 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ጀሚሩ ድማ 9 መስከረም [ዝተቐትለሉ መዓልቲ] መዓልቲ ሰማእታትን ኣሕመድ ሻ መስዑድን ኮይኑ ይዝከር። ምኽትል ፕረዚደንት ኣፍጋኒስታን ኣማሩላህ ሳልሕ ንዕኡ ዘለዎ ውፍይነት ግልጺ ገይሩ'ዩ። \"ውርሻ ጅግና፣ ውሩይ፣ ኮማንደርን መራሕን ኣሕመድ ሻ መስዑድ ፈጺመ ኣይክሕድን። ኣብ ዝኾነ ኩነታት ፈጺመ . . . ፈጺመ ንኣሸባሪ ጣሊባን ኣይምብርከኽን\" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። እቲ ምኽትል ፕሬዝደንት ተወላዲ ፓንዢር ኮይኑ ብሄሩ'ውን ታጂክ'ዩ። ኣብ 1990ታት ከኣ ኣካል እቲ ኣሕመድ ሻ መስዑድ ዝመርሖ ዝነበረ ጥምረት ሰሜን ነይሩ። ሂዩማን ራይትስ ዎች ብ2005 ብመሰረት ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝነበረ ኲናት ሓይልታቱ ኣብ ትሕቲ ምሕደርኡ ኮይኖም ብዝፈጸሙዎ \"ኣሕመድ ሻ መስዑድ ኣብ ብዙሓት ግህሰታት ተሳቲፉ'ዩ\"። 'እዚ መዓልቲ ክመጽእ ከም ዝኽእል ንፈልጥ ነይርና' ሕጂ ድማ ወዲ 32 ዓመት ወዱ ኣሕመድ መስዑድ ነቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ይመርሖ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ዋሽንግተን ፖስት ሒዙዎ ኣብ ዝወጽአ ጸብጻብ፡ መስዑድ ሓይልታቱ ካብ ኣባላት ሰራዊትን ፍሉይ ሓይልን ኣፍጋን ድጋፍ ከም ዝረኽቡ ተዛሪቡ። \"እዚ መዓልቲ ከም ዝመጽእ ስለ እንፈልጥ ኣቦይ ብህይወት እናሀለወ ኣትሒዝና ዝኣከብናዮም ብርክት ዝበሉ ኣጽዋራት ኣለውና\" ኢሉ። ይኹን'ምበር ተወሳኺ ሓገዝ ከም ዝደልዩ ኣይሓብአን። \"ኣንጻር ጣሊባን ቓልሲ ጀሚርና ኣለና፤ ግን ድማ ሓገዝ የድልየና'ዩ\" ክብል ነቲ ኣብ ዋሽንግተን ፖስት ዝጽሓፎ ሓቢሩ። ወሲኹ \"ኣባላት ጣሊባን መጥቃዕቲ እንተፈጺሞም፡ ዋላ'ውን ዘለና ሎጀስቲክስን ሓይልን እኹል ከም ዘይኾነ እናፈለጥና ካባና ከቢድ ምክልኻል ክገጥሞም'ዩ። ምዕራባውያን መሓዙትና ብቕልጡፍ ክሕግዙና እንተኽኢሎም ጠቕሊሎም ክውድኡ'ዮም\" ኢሉ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58332219"} {"headline":"መጥቃዕቲ 9\/11፡ 'ቃንዛ ድሕሪ ግዜ ከም ዝሃስስ በሊሕ ካራ'ዩ'","content":"ጁፒተር ያምቤም፡ ኣብቲ ብመንታ ህንጻ ዝፍለጥ 'ወርልድ ትሬድ ሴንተር' ኣብ ዝርከብ 'ዊንደውስ ኦን ዘ-ዎርድል' ዝተባህለ ሬስቶራንት ሰራሕተኛ ነይሩ። 11 መስከረም 2001 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ምስ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ዝነበረ ወዱ ሳንቲ ጥዑም ግዜ ንከሕልፍ ባህጊ ነይሩዎ። ኣብ ቅርቅርቲ እቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ነዊሕ ህንጻ ዘሎ ሬስቶራንት ስራሕ ዝበዝሖ ስለ ዝኾነ፡ ምስ ስድርኡ ብዙሕ ግዜ ንከሕልፍ ይጽገም ነይሩ። ኣብታ ሽዓ መዓልቲ ሓንቲ ክገብራ ዝደለየ፡ ምስ ወዱ ኩዕሶ ክጻወት፣ ብሽክሌታ ከመይ ከም እትዝወር ክምህሮ፤ በቃ ኣቦታት ንደቆም ዝገብሩዎ ንክገብር ጥራይ'ያ። ኣብታ ዕለት [ሰሉስ ነይራ] ጁፒተር ካብ ድቃሱ ምስ ተንስአ፡ ነብሱ ተሓጺቡ፣ ክዳኑ ተኸዲኑ ንበዓልቲ ቤቱ ናንሲ ስዒሙ ናብ ስርሑ ከይዱ። ጁፒተር፡ ብ1981 ዓ.ም ካብ ሰሜን ደቡብ ህንዲ ማኒፑር ናብ ኣመሪካ መጺኡ። ኣብዚ ዓብዪ ሬስቶራንት ድማ ማኔጀር ግብሪ [ድግስ] ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ። እቲ 110 ደርቢታት ዘለዎ መንታ ህንጻ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ናይ ስራሕ ቦታኡ ነይሩ። ኣብዚ ኣስታት 50 ሽሕ ሰራሕተኛታት ተቖጺሮም'ዮም፤ መዓልታዊ ከኣ ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንስራሕ፣ ሸመታን ክምገቡን ይመጽኡ። ብ11 መስከረም፡ ጁፒተር ኣብቲ ሬስቶራንት ይካየድ ንዝነበረ ኣኼባ ቴክኖሎጂ ከተኣናግድ ሓላፍነት ተዋሂቡዎ ነይሩ። ኣብ ከተማ ቢኮን ኣብ ዘሎ መንበሪ ገዝኦም ዝነበረት በዓልቲ ቤቱ ናንሲ ኣብቲ ገዛ ጉምብሕ ጥልዕ ምባላ ኣይተረፈን። ሳንቲ ከኣ ናብ መውዓሊ ህጻናት ምኻድ ካብ ዝጅምር ክልተ ሰሙን ኮይኑዎ ኣሎ። ናንሲ፡ ነታ እትወስዶ መኪና ክትጽበ ድሕሪ ምጽናሕ ናብቲ ጸገማት ጥዕና ኣእምሮን ወልፍታትን ዘሎዎም ሰባት ዝሕገዝሉ ናይ ስራሕ ቦታኣ ትኸይድ። እዚ ካብ ገዝኣ 64 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ'ዩ ዝርከብ። ኣብ ስርሓ ምስ በጽሐት ግን ሓንቲ ነፋሪት ንህንጻ 'ወርልድ ትሬድ ሴንተር' ከም ዝሃረመት ትሰምዕ። \"ኩሉ ሰብ ቴሌቪዥን ይርኢ ነይሩ፤ እቶም ህንጻታት ብነፈርቲ ክህረሙ ከለው ኣይርኣኹን\" ትብል ናንሲ። ንጉሆ ሰዓት 8፡46፡ ነፋሪት ኣመሪካ ቑጽሪ በረራ 11 ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ እቲ ህንጻ ኣብ ሞንጎ ደርቢ 93ን 99ን ተቐርቂራ። ብሰንኪ እዚ እቶም ኣብ ላዕሊ ደርቢታት ዝነበሩ ሰባት ንታሕቲ ክወርዱ ኣይክኣሉን። በታ ነፋሪት ሙሉእ ንሙሉእ ተዓጊቶም። ሰባት ጥርንቕንቕ ኢሎም ተሸንከሩ፣ ሽዑ መሳኹቲ እቲ ህንጻ ብጸሊም ትኪ ተዓብሊኾም። ተሓጋጋዚ ማኔጀር እቲ ሬስቶራንት ናብቶም ሓለፍቲ ዘይተረጋግአ ስልኪታት እናደወለ \"ብቅልጡፍ ኣጋይሽናን ሰራሕተኛታትናን ብዝተኽኣለ መጠን ክወጽኡ ሓግዙና\" ይብል። ኣብቲ ኮንፈረንስ [ዋዕላ] ዝነበረ ተሳታፊ ናብ ሓደ ብጻዩ ደዊሉ \"ዓብዪ ነትጒ ኣጋጢሙ ኣሎ፤ ኩሎም መሳኹቲ ዓንዮም። ኩሉ ሰብ ኣብ መሬት ተነጺፉ ኣሎ። ኩሉ ሰብ ደሓን'ዩ፤ ክወጽእ'ዩ\" ኢሉዎ። እንተኾነ ዋላ ሓደ ካብኣቶም ብትዕድልቲ ክወጽእ ኣይክኣለን። ኣብቲ ዕለት ሰዓት 8፡30 ኣብ ናይ ስራሕ ቦትኡ ክርከብ ዝግብኦ ዝነበረ ሰራሒ መግቢ [ሼፍ] ገለ ነገራት ክሽምት ኣብ ትሕቲ እቲ ህንጻ ኣብ ዝርከብ ድኳን ስለ ዝነበረ ብህይወት ክተርፍ ክኢሉ። ቑጽሪ ኣብቲ ሬስቶራንት ዝሞቱ ሰባት ንምፍላጥ መዓልታት ክወስድ እንከሎ፡ ኣብታ ዕለት 72 ሰባት ኣብ ሬስቶራንት 'ዊንደውስ ኦን ዘ-ዎርድል' ዝተባህለ ሞይቶም። \"እቶም ህንጻታት ኣዝዩ ብሰንብድን ክትኣምኖ ብዘጸግምን ኩነታት ክህሞኹ ርእየ። ደጋጊመ ናብ ቴሌፎኑ ደዊለ፤ ኣይመለሰን\" ትብል ናንሲ። ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት ኣስክሬን ጁፒተር ብፍርስራስ እቲ ህንጻ ተጸቓቒጡ ቐልጢፎም'ዮም ረኺቦምዎ። ስድራቤቱ ንመርመራ ዲኤንኤ ዝኸውን ቅምሶ ካብ መመሸጢ ጸጉሩ ንሓካይም ኣቕሪቦም። ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ መዓልታት ክኣ ክፍለጥ ክኢሉ። \"ዕድለኛታት ኮይንና ነቲ ኣካላቱ ኣኻኺብና ስሩዕ ስነ ስርዓት ቀብሪ ክፍጸም ክኢሉ። ብዙሓት ነዚ ኣይረኸቡን\" ኢላ። ኣብ ውሽጢ 20 ዓመት፡ ካብቶም 2754 ግዳኣት ናይቶም 1600 ጥራይ'ዩ ኣስክሬኖም ክርክብ ክኢሉ ዘሎ። ጁፒተር ኣብቲ እዋን ወዲ 42 ዓመት ነይሩ። ጓል 40 ዓመት ዝነበረት ናንሲ ን20 ዓመታት ትፈልጦ'ያ። ብ1981 ክራኸቡ እንከለው፡ ንሱ ኢኮኖሚክስ ንሳ ድማ ናይ ሙዚቃ ቴራፒ የጽንዑ ነይሮም። ብ1991 ከኣ ተመርዒዮም። እቲ ኣብ ሰሜን ምብራቕ ህንዲ ዝዓበየ ጁፒተር፡ ወላዲቱ ዶክተር ኣቡኡ ድማ ኢንጂንየር'ዮም ነይሮም። ካብ ሓሙሽተ ኣሕዋቱ እቲ ብዕድመ ዝንኣሰ ንሱ ነይሩ። ትምህርቱ ምስ ወድአ ኣብ ደልሂ ጀርመን ተማሂሩ። ዓብዪ ሓው ያምቤም ላባ ምቕሉልን ተመሓዛይን'ዩ ነይሩ ክብል ይዝክሮ። \"ንዓይ ብሓቂ ብሉጽ መሓዛይ እዩ\" ይብል። ናንሲ ፈለማ ክትረኽቦ እንከላ \"ትኽክለኛ . . . ደቂ ኣንስትዮ ክፈትውኦ ዝክእላ ወዲ ተባዕታይ'ዩ\" ነይሩ ክትብል ትገልጾ። ጁፒተር \"ምልኩዕ . . . ኣብ ትምህርቱ ጸብለልታ ዝነበሮን ሙዚቃ ዝፈቱን'ዩ ነይሩ። ሰብ ዝፈቱ ስለ ዝኾነ ክኣ ንሱ ኣብ ዘለወሉ ኩሉ ጥዑም'ዩ\" ትብል። ጁፒተር ኣብቲ መንታ ህንጻ ኣብ መበል 106ን 107 ደርቢታት ኣብ ዝነበረ ሬስቶራንት 'ዊንደውስ ኦን ዘ-ዎርድል' እዩ ዝሰርሕ ነይሩ። ናብ ገዝኡ ክምለስ እንከሎ ብዛዕባ እቶም ኣብቲ ሬስቶራንት ድራር ዝበልዑ ፍሉጣት ሰባት ቢል ክሊንተን፣ ጋዜጠኛ ባርባራ ዋልተርስ፣ ክሪስቲ ያማጉቺ [ፍልጥቲ ኣመሪካዊት ስኬተር] ብፈንጠዝያ የዕልል። \"ኣብ ህይወቱ ምስቲ ዝፈትዎ ፕሬዝደንት ክሊንተር ፎቶ ብዘይምስኣሉ ወትሩ ይጥዓስ ነይሩ\" ትብል ናንሲ። ቅድሚ 20 ዓመት እታ ብታሕጓስ መዓልታዊ ውዕልኡ ዝጀመረላ ዕለተ ሰሉስ ግን ናይ መወዳእትኡ ኮነት። ኣዝዩ ዘሕዝን ክስተት ኣጋጢሙ። \"ኣብቲ ናይ መጀመርታ ዓመት ፈጺመ ክድቅስ ኣይክእልን። ለይቲ ሙሉእ ክበኪ የሕልፎ\"። \"ከመይ ኢሉ'ዩ እቲ ክስተት ኣጋጢሙ እናበልኩ ይግረም። ስለምንታይ'ዮም ክንድዚ ዝኣክል ዝጸልኡና? ድሕሪኡ ከንብብ፣ ክመሃር ጀሚረ። ብልበይ ነቶም ሽብርተኛታት ይቅሬታ ገይረሎም\" ኢላ። \"ጽልኣት ዓቚረ ክነብር ኣይክእልን ክብል ንነብሰይ ነጊረያ፤ ሓድሽ ህይወት ክጅምር ኣለኒ ኢለ። ዳግም መን ምዃነይ ክፈልጥ ደልየ\" ትብል። ድሕሪ ሓደ ዓመትን መንፈቕን ናንሲ፡ ጄሪ ፌልድማን ምስ ዝተባህለ ሲቪል ኢንጂንየር ተላልያ። ብ2006 ከኣ ተመርዒዮም፤ \"ኣብ መወዳእታ ፍቕሪ የድሕነካ\" ትብል ናንሲ። ናንሲ፡ ዋላ ሓደ መዓልቲ ብዛዕባ ጂፒተር ከይሓሰበት ሓሊፋ ከም ዘይፈልጥ ትዛረብ። ኣብ ገዝኣ'ውን ንዕኡ ዘዘክራ ንኡሽቶ ቤተ መቕደስ መሳሊ ነገር ኣሎ። ጂፒተር ካብቲ ዝሰርሐሉ ዝነበረ ሬስቶራንት ዝረኸቦ ነፍሲ ወከፍ ነገራት ከኣ ንዝኽሪ መጥቃዕቲ 9\/11 ናብ ዝተሰርሐ ቤተ መዘክር ኣወፊያቶ። እዚ ናይ ስራሕ ኣድራሽኡ ዝሕብር ካርድ፣ ኣብ ፍሉይ ምድላው ዝተበርከተሉ ክልተ መስተ ወይኒ ከምኡ'ውን ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐ ናይ ወይኒ መቐመጢ ይርከቦ። ስድራቤት ጂፒተር፡ ሓሓሊፉ ኣብ ህንዲ ናብ ዝርከብ ገዝኡ ይኸይድ'ዩ። ሳንቲ ሕጂ ወዲ 25 ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ቢኮን ኣብ ዝርከብ ሬስቶራንት ድማ ይሰርሕ። \"ኣብ ማኒፑር ዘሎ ገዛና ጂፒተር ብፍሉይ ምስ ወላዲኡ ዘለዎ ዝምድና ዘዘኻኽረና ስለ ዝኾነ መበቆልካ ዘይምርሳዕ ኣገዳሲ'ዩ\" ትብል ናንሲ። ጁፒተር ብህይወት እንተዝህሉ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቀምቲ መበል 30 ዓመት ሓዳሮም ክዝክሩ ዕድል ምረኸቡ ነይሮም። \"ማህሰይቲ ዝልመድ ኣይኮነን፤ ምርሳዕ ከኣ ምርጫ ኣይኮነን\" እትብል ናንሲ፡ ዓመታዊ ቅጅል ዝብለካ መጥቃዕቲ መስከረም 9\/11 ምርሳዕ ከቢድ ምዃኑ ትዛረብ። \"ቓንዛ ኣብ መጀመርታ ልክዕ ከም ካራ በሊሕን ብርቱዕን'ዩ። ድሕሪ ግዜ ካራ ይጎትም፤ ቃንዛ'ውን ከምኡ ይሃስስ\"።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58504146"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን፡ ጣሊባን ናብ ስልጣን ብምምጽኡ ገለ ሃገራት ዝኸስብኦን ዝኸስርኦን እንታይ'ዩ?","content":"ጣሊባን ሓድሽ ምምሕዳር ኣፍጋኒስታን ምዃኑ ይገልጽ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ነዚ ናይ ስልጣን ለውጢ ክቕበልኦ ዝጓየያ ሃገራት ይርኣያ ኣለዋ። ድሮ ካብ ሞስኮ ክሳብ ቤጂንግ፣ ካብ በርሊን ክሳብ ኢዝላማባድ ዲፕሎማሲያዊ ምልውዋጣት ተኻይዶም። ብ26 ነሓሰ 2021 ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦንባ ድማ፡ ገለ ተቓወምቲ ጉጅለታት ኣንጻር ምሕደራ ጣሊባን ስጉምቲ ይወስዱ ምህላዎም ዘርኢ'ዩ። ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምቁጽጻሩ፡ ድልየት ቑልፊ ተሳተፍቲ እቲ ዞባ ዝኾና ሃገራትን ዓለምለኻዊ መንግስታትን ግን እንታይ'ዩ? ጎበሬት ሃገር ፓኪስታን፡ ኣብ ካቡል ካብ ዝፍጠር ለውጢ ስልጣን እትኸስቦን እትስእኖን ጉዳይ ኣሎ። ክልቲኤን ሃገራት ዝካፈልኦ 2400 ኪሎ ሜትሮ ዶብ ክህልወን እንከሎ፡ 1.4 ሚሊዮን ኣፍጋናውያን ስደተኛታት ኣብ ፓኪስታን ይርከቡ። ካልኦት ብዙሓት ዘይተመዝገቡ ስደተኛታት ግን ኣብታ ሃገር ከም ዝነብሩ ይእመን። ስለዚ፡ ፓኪስታን ኣብ ኣፍጋኒስታን ካብ ዝህሉ ዘይምርግጋእ እትስእኖ ብዙሕ ነገር ኣሎ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ኢዝላማባድ ምስ ጣሊባን ጥቡቕ ዝምድና ኣለወን ካብ ዝብሃላ ሃገራት ሓንቲ'ያ። ቋንቋ ፓሽቶ ዝዛረቡ ጣሊባን ወይ ድማ \"ተመሃሮ\"፡ ብ1990ታት ኣብ ሰሜን ፓኪስታን ክምዕብሉ ጀሚሮም። ብዙሓት ናብዚ ምንቅስቓስ ዝተጸምበሩ ኣፍጋናውያን፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ፓኪስታን ዝተመሃሩ'ዮም ነይሮም። ፓኪስታን ዋላ'ውን ብተደጋጋሚ እትኽሕዶ ጉዳይ እንተኾነ፡ ንስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ዓረብ ኢመራትን ሓዊሱ ሓንቲ ካብተን ጣሊባን ብ1990ታት ናብ ስልጣን ክመጽእ እንከሎ ኣፍልጦ ዝሃባ ሃገራት እያ። ምስዚ ጉጅለ ናይ መወዳእታ ዲፕሎማሲያዊ ርክባ ዝበተኸት ሃገር'ውን ንሳ እያ። ምስ ህንዲ ንዘሎ ንሕንሕ ንዝጥምቱ ሙሁራት ፓኪስታን፡ ጣሊባን ናብ ስልጣን ምምጽኡ ጽልዋ ህንዲ ኣዝዩ ዝተሓተ ክኸውን ዝገብሮ'ዩ ይብሉ። ሙሁር ኢንስቲትዩት ለንደን ሮያል ዩናይትድ ሰርቪስስ ዑመር ካሪም \"ፓኪስታን ብቐንዱ ኣብ ከም ጃላላባድን ካንዳሃርን ዝበላ ኣብ ዶባት ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን ዝርከባ ከተማታት ህንዲ ብምንባሮም ተደናጊሮም'ዩ ጸኒሑ። ቐንዲ መዋሊት ጸረ ፓኪስታን ዝኾኑ ንከም ቴህሪክ -ኢ-ጣሊባን ዝበሉ ኣብ ሰሜንን ደቡብን ተነዓብቲ ጉጅለታት ገይራ'ያ ትቖጽራ\" ኢሉ። ስለዚ፡ ፓኪስታን ጣሊባን ኣብ ስልጣን ምህላው ኣብቲ ዞባ ክህልዋ ንዝኽእል ጸቕጢ ዳግም ክሃንጽ የኽእለኒ'ዩ ኢላ ትኣምን ይብል። \"ንግዳዊ ንጥፈት ብዙሓት ኣፍጋናውያን ካብ ፓኪስታን ዝመጽእ'ዩ፤ እዚ ከም ሕሩጽ፣ ሩዝ፣ ኣሕምልቲ፣ ስሚንቶን ኣቑሑት ህንጸትን ዝሓውስ'ዩ\" ይብል እቲ ሙሁር። ብተወሳኺ ፓኪስታን ብኣፍጋኒስታን ኣቢላ ኣብ ማእኸላይ ኤስያ ምስ ዘለዋ ሪፐብሊካት \"ድልዱል ቑጠባ\" ክትፈጥር ድልየት ኣለዋ። እዚ ነታ ሃገር ምስ ዓብዪ ቑጠባ እቲ ዞባ ከተኣሳስራ'ዩ ዝብል እምነት ኣለዋ። እዚ ቑጠባዊ ድልየት፡ ጣሊባን ኣብ ጉዳያት ድሕነት ሓዊሱ ምስ ፓኪስታን ክሓብር ይገብሮ። \"ምምሕዳር ጣሊባን ድሮ ዓለምለኻዊ ተነጽሎ ይገጥሞ ስለ ዘሎ፡ ኣንጻር ፓኪስታን ክኸውን ኣይክእልን\" ክብል ካሪም ርኢይትኡ ይኽንብት። ሩሲያ፡ ሕጂ'ውን እቲ ካብ 1979 ክሳብ 1989 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ሶቭየት ሕብረት ኣንጻር ጉጅለታት ኣፍጋኒስታን ዘካየደቶ ናይ 10 ዓመታት ኲናት ኣይረስዓቶን። ሕጂ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘለዋ ድልየት ውሑድ እንተኾነ'ውን፡ ኣብታ ሃገር ዝህሉ ዘይምርጋእ ግን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ዝህልዋ ጎረባብቲ ዓድታት ገዚፍ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል'ዩ። እዚአን፡ ግዝኣታት ሶቭየት ዝነበራ ኮይነን ክሳብ ሕጂ ምስ ሩሲያ ጥቡቕ ዝምድና ኣለወን። ስለዚ ቐንዲ ስግኣት ሩሲያ፡ ኣፍጋኒስታን መዐንደሪ ካብ ዞባ ካውካሰስ ንዝብገሱ ምስ እስላማዊ ጉጅለ ዳዕሽ ርክብ ኣለዎም ዝብሃሉ ቐንዲ ጸላእቲ ሩሲያን ጣሊባንን ዝኾኑ ጅሃዳውያን ክትኸውን እያ ዝብል እዩ። ጣሊባን ንካቡል ምስ ተቖጻጸረ፡ ሩሲያ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣቐዲማ ምስቲ ጉጅለ ርክብ ዝጀመረት'ያ። ኤዲተር መጽሄት ዓለምለኻዊ ጉዳያት ፍዮዶር ሉክያኖቭ \"ሩሲያ ኣብ ኣፍጋኒስታን ድርብ ፖሊሲ\" እያ ትኽተል ዘላ ይብል። \"ብሓደ ሸነኽ፡ ፖለቲካዊ ርግኣት ንምውሓስ ምስ ጣሊባን ዝምድና ክትፈጥር ትጽዕር፤ በቲ ኻልእ ገጽ ድማ ኣብ ታጂኪስታን ብርክት ዝበሉ ወተሃደራት ሩሲያ ኣለው። ኣብዚ ምስ ታጂኪስታንን ኣፍጋኒስታንን ሰፊሕ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ብምፍጣር ካብ ግዝኣታት ኣፍጋኒስታን ዕጡቓት ጉጅለታት ከይፈርዩ ክትከላኸል ትጽዕር\" ኢሉ። ብተወሳኺ፡ ኣመሪካ ሰራዊታ ካብታ ሃገር ምውጽኣ ሩሲያ ኣብ ከባቢ ማእከላይ ኤዥያ ንእትፈጥሮ ጽልዋ በሪ ዝኸፍተላ ገይራ ትወስዶ። \"ንዓና ጽቡቕ ዝኾነ ንኣመሪካውያን ፋል የብሉን፤ ንዓና ፋል ዘይብሉ ከኣ ንኣመሪካውያን ጽቡቕ'ዩ። ሕጂ እቲ ኩነታት ንኣመሪካውያን ሕማቕ ኣሎ፤ ንዓና ግን ጽቡቕ\" ክብል ተንታኒ ፖለቲካ ሞስኮ ኣርካዲ ዱብኖቭ ንፋይናንሻል ታይምስ ተዛሪቡ። ቻይና ቑጠባውን ናይ ድሕነትን ረብሓታት ኣለውዋ። ኣመሪካ ሰራዊታ ካብታ ሃገር ብምውጽኣ፡ ትካላት ቻይና ንጸጋታት ዕደና ኣፍጋኒስታን ክምዝምዙዎ ሰፊሕ ዕድል ረኺቦም ኣለው። ክኢላታት ኣመሪካ፡ ኣፍጋኒስታን ሓደ ትሪሊየን ዶላር ዝግመት ዕቁር ሃብቲ ኣለዋ ኢሎም ይግምቱ። እዚ ሰለስተ ዕጽፊ መንግስቲ እታ ሃገር ዝብሎ'ዩ። ትካላት ቻይና ግን ሕጂ'ውን ናይ ፖለቲካን ድሕነትን ስግኣት ከም ዘለዎም ይግለጽ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ክንቀሳቐስሉ ዝኽእሉ ዓቕሚ፡ ገና ሃገራት ምዕራብ ክወስድኦ ብዝኽእላ ስጉምቲ እገዳታት ዝውሰን'ዩ ክኸውን። ብኣንጻሩ ናይ ብሕቲ ትካላት ቻይና \"ኣሽሓት ክስርሑ ዝኽእሉ ነገራት ስለ ዘለው\" ናብቲ ዕዳጋ ንምእታው ህንጡውነት ኣለዎም ክብል ግሎባል ታይምስ ጽሒፉ። ብመንጽር ስትራቴጂካዊ ረብሓ ድማ፡ መንግስቲ ቻይና ኣብ ኣፍጋኒስታን ንምእታው ጽቡቕ ምኽንያት ኣለዎ። እታ ሃገር ኣብ ወሳኒ መላግቦ ፕሮጀክታት ትሕተ ቕርጽን ንግድን ኢራንን ፓኪስታን ዝሓቁፍ ተበግሶ ቅናት ሲልክ ኢኮኖሚ ቻይና እትርከብ እያ። ስለዚ ልክዕ ከም ሩሲያ ቻይና'ውን ኣፍጋኒስታን ኣብቲ ዞባ ፈጠርቲ-ራዕዲ ዝዕንድሩላ መነሃርያ ከይትኸውን ስግኣት ኣለዋ፤ ብቀንዱ ምዕራባዊ ዞባ ዢንጂያንግ። ተንታኒ ዲፕሎማሲ ጆናታን ማርከስ ቻይና \"ምስ ኣፍጋኒስታን ሓጺር ዶብ ትካፈል። ናይ ባዕላ እስላም ዜጋታት ትቐትል ዘላ ሃገር ስለ ዝኾነት ድማ ኣንጻር እታ ሃገር ዝንቀሳቐሱ እስላማውያን ዕጡቓት ኣብ ኣፍጋኒስታን ዕቑባ ከይረኽቡ ትሰግእ። ካብዚ ብዝብገስ ቻይና ብ ቀረባ ንጣሊባን እተርእዮ ዘላ ምቅርራባት ከደንቐና የብሉን\" ይብል። ብ25 ነሓሰ ፕሬዝደንት ዢ ጂንፒንግ ምስ ሩሲያዊ መዘንኡ ቭላድሚር ፑቲን ብስልኪ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፡ \"ካብ ዞባታት ኣፍጋኒስታን ክመጽእ ዝኽእል ስግኣታት ግብረ ራዕድን ዘይሕጋዊ ንግዲ ዕጸ ፋርስን ብሓባር ክቃለሱ\" ድሉዋት ምዃኖም ኣረጋጊጾም'ዮም ኢሉ። ሙሁር ኢንስቲትዩት ለንደን ሮያል ዩናይትድ ሰርቪስስ፡ ዑመር ካሪም፡ \"ኢራን ንብዙሕ ዓመታት ምስ ጣሊባን ክትተሓባበር ጸኒሓ'ያ\" ይብል። እዚ በቲ ክንፊ ወያናይ ዘብዒ ኢራን (IRGC) ዝኾኑ ወግዓዊ ዘይኮነ ኲናት ዘካይድን ኣመሪካ ኣሸበርቲ እትብሎን ጉጅለ እትፍጽሞ ምንባሩ ይግለጽ። በዚ \"ምስ ጣሊባን ድልዱል ርክባት ሃኒጻ ጸኒሓ'ያ\" ይብል ካሪም። \"መራሕቲ ጣሊባን ኣዕቚባ ነይራ፤ ናይ ኣጽዋርን ፋይናንስን ደገፍ'ውን ተቕርበሎም ነይራ። ጣሊባን ብግድኡ ንሺዓ ኣፍጋናውያን ብቐንዱ ማሕበረሰብ ሃዛራ ዝተለሳለሰ ነይሩ። ካብዚ ብዝብገስ ኣብ ማእከላይ ኣፍጋኒስታን ዋላ ሓደ ጥይት ከይተተኮሰ ኣብ ኢድ ጣሊባን ክኣትው ክኢሎም'ዮም\" ክብል የረድእ። ይኹን'ምበር፡ ዋላ'ውን ጣሊባን ነዞም ማሕበረሰብ ዝተለሳሰለ መርገጺ ነይሩዎ እንተተባህለ ኣጋር ወተሃደራት ጣሊባን ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጽሙዎ ግቡእ ዘይኮነ ኣተሓሕዛ ነይሩ ተባሂሉ ይንቀፍ። ሕጂ ኣፍጋኒስታን ካብ ዓለም እንተተነጺላ ኢራን ኣብታ ሃገር ክትፈጥሮ ንእትኽእል ጽልዋ ንምስፋሕ ዕድል ከም ዝፈጥረላ ካሪም ይዛረብ። \"ኢራን፡ ስርዓት [system] ኣመሪካ ገዲፋቶም ዝወጽአት ሕጂ ኣብ ትሕቲ ጣሊባን ዝርከቡ ዘመነዎት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፣ ሚሳይላትን ካልኦት ኣጽዋራትን ንምርካብን ንምትንታንን ድልየት ክህልዋ ይኽእል። እዚኦም ጣሊባን ናይ ባዕሉ ፕሮግራማት ምክልካል ንምፍራይ ክጥቀሞም ይኽእል\" ኢሉ። ኣብ ኣፍጋኒስታን ርግኣት ክዓስል ምግባር ከኣ ቑጽሪ ናብ ኢራን ዝኣትው ስደተኛታት ክንኪ ይሕግዝ። ኣብዚ ሕጂ እዋን 780 ሽሕ ኣፍጋናውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቑባን ኣብታ ሃገር ከም ዝርከቡ ኤጀንሲ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ እቲ ን20 ዓመታት ጎስጓስ ዝግበረሉ ዝነበረ ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ ከም ዓወት ክጽምብሉዎ'ዮም ዝደልዩ። ጣሊባን ግን እቲ ዓወት ናታቶም ምዃኑ ከም ዝኣምኑ ዋላ ሓደ ዘጠራጥር ጉዳይ የለን። ኣብ ወርሒ ሚያዚያ መራሒ ጣሊባን ሴኩንደር ኬርማኒ ንቢቢሲ \"ንሕና ተዓዊትና፤ ኣመሪካ ተሳዒራ\" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ። ኣመሪካን መላፍንታ ዝኾና ምዕራብን ግን፡ ናይ ባዕለን ምስሊ ኣብ ምህናጽ ኣተዂረን ዓወት ናታተን ምዃኑ ከርእያ ይፍትና ኣለዋ። ቻንስለር ጀርመን ኣንጌላ መርከል ግን እቲ ምውጻእ ሰራዊታት \"ድሕነት ነቶም ዝተሓጋገዙ ዝነበሩን ጣሊባን ስልጣን ምስ ሓዘ ንከቢድ ህጹጽ ሓገዝ ዝተቓልዑን ኣፍጋኒስታናውያን ንምውሓስ ዝግበር ጻዕሪ ተወዲኡ ማለት ኣይኮነን\" ክትብል ብ25 ነሓሰ ንባይቶ ሃገራ ተዛሪባ። \"እቲ ሸቶና፡ ከምቲ ን20 ዓመታት ዘዐወትናዮ ምክልኻል ክኸውን ኣለዎ\" ኢላ። መራሕቲ ኣባል ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ብ24 ነሓሰ ድሕሪ ዘካየዱዎ ኣኼባ ፕሬዝደንት ካውንስል ሕብረት ኤውሮፓ ቻርለስ ሚሸል \"ምስ ሓደሽቲ ሰብ መዚ ኣፍጋን ክህሉ ዝኽእል ርክባት ንምውሳን እቲ ጊዜ ገና'ዩ\" ክብል ተዛሪቡ። ወሲኹ እቲ ሓድሽ ዝምድና ኣብ \"ተግባራትን ኣመለኻኽታን እቲ ሓድሽ ስርዓት\" ዝድረኽ ክኸውን'ዩ ኢሉ። እዚኦም፡ ጣሊባን ከምጽኦም ዝኽእል ፖለቲካዊ፣ ቑጠባውን ማሕበራውን ዓወታት ከምኡ'ውን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ፣ ህጻናትን ውጹዓት ክፍሊ ሕብረሰተብን ኣብ ግምት ዘእተወ'ዩ ክብል ኣብሪሁ። ካብ ዓለምለኻዊ ጉዳያት ድማ፡ ብቐንዱ ድሕነትን ቓልሲ ኣንጻር ግብረ ራዕድን ከምኡ'ውን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸ ፋርስን ከረጋገጽ ትጽቢት ይግበሮ። ኣፍጋኒስታን ኣሸበርቲ ጉጅለታት ዝፈርዩላ ከይትኸውን ካብ ምክልኻል ሓሊፉ፡ ሓድሽ ፍሰት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቑባን ምግታእ ሃገራት ምዕራብ ቐዳምነት ዝህብኦ ጠመተ'ዩ። ሰብ ሞያ፡ ኣብ ኣመሪካ መጥቃዕቲ መስከረም 9 [9\/11] ዝፈጸመ ጉጅለ ኣልቃዒዳ ዳግም ከይጠናኸር የጠንቅቑ። እዚ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ብ2001 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ንኣፍጋኒስታን ክትወርር ምኽንያት ኮይኑ'ዩ። ብኻልእ ወገን፡ ዳይሬክተር ትካል ፖሊሲ ኣናላይስስ ፎር ኮንፍሊክት (IPAC) ሳና ጄፍረይ: ኣይኤስ ምልዕዓል ፈጢሩሎም ዝነበሩ ጂሃዳውያን ጉጅለታት \"ብቑዓት ምዃኖም ንምምስካር ኣብ ጸቕጢ ክኣትዉ\" ከም ዝኽእሉ ትገልጽ። እዚ ደጋፊ ኣይኤስ ዝኾነ ጉጅለ ዓወት ጣሊባን \"ምስ ኣመሪካ ብዝተበጽሐ እከይ ስምምዕ እምበር ብሓቀኛ ጅሃድ ዝመጽአ ኣይኮነን\" ብምባል ኮኒኑዎ እዩ። ይኩን'ምበር፡ ዓወት ጣሊባን \"ንጉጅለታት ኣልቃዒዳ ጽቡቅ ዜና'ዩ\" ክትብል ሳና ተረድእ። \"ኣብ ውሽጢ ደቡብ ምብራቕ ኤዥያ፡ በቶም ኣኽረርቲ ጉጅለታት ኣብ ዝዝወሩ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ወግዓዊ መግለጺታትን ዓወት ጣሊባን ተባሂሉ ክጽንበል ርኢና ኢና። ካብዚ ዘይዛሪ ቓልሲ ዋጋ ኣለዎ ዝብል መልእኽቲ ጥራሕ'ዮም ወሲዶም። እዚ ከኣ ካልኦት ጉጅለታት ክተባብዑ ምግባሩ ዘይክሓድ'ዩ' ኢላ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58393825"} {"headline":"ኣመሪካ ሰራዊታ ንመወዳእታ ግዜ ብምውጻእ ን20 ዓመታት ኣብ ኣፍጋን ዝነበራ ኲናት ዛዚማ","content":"ሎሚ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝጸንሑ ሰራዊት ኣመሪካ ዝጽዓነት ናይ መወዳእታ ነፋሪት ሰራዊት ኣመሪካ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ወጺኣ። እዚ እቲ ን20 ዓመታት ዝጸንሐ ኣካታዒ ህላወ ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታንን እቲ ዝነውሐ ኲናት ኣመሪካን ከብቅዕ ዝገበረ እዩ። ሰብ መዚ እታ ናይ መወዳእታ ሲ17 ነፋሪት ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ንኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝሓወሰት ምንባራ ሓቢሮም። ቅድሚ እቲ ጣሊባን ዘቐመጦ ናይ ግዜ ገደብ ምውጻእ ዜጋታት ምውድኡ ክግዕዙ ዘይክኣሉ ንምሕጋዝ ዲፕሎማሲያዊ ተልእኾ ክቕጽል ምዃኑ ግን ሰበስልጣን ኣመሪካ ኣነጺሮም ኣለዉ። እታ ነፋሪት ክትብገስ እንከላ፡ ጣሊባን ናይ ደስ ደስ ጠያይቲ ክትኩስ ተሰሚዑ። ኣመሪካ፡ ብ2001 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ነዚ እስላማዊ ስርዓት ካብ ስልጣን ኣልያ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ንመንግስቲ ኣፍጋኒስታን ብምሕጋዝ ክትዋግኦ ምጽንሓ ይፍለጥ። እቲ ናይ ሕጂ ምውጻእ ወተሃደራት ኣመሪካ፡ እታ ሃገር ሙሉእ ንሙሉእ ኣብ ትሕቲ እዚ እስላማዊ ስርዓት ምእታዋ ዘመላኽትን ካብ 14 ነሓሰ ዝጀመረ ምውጻእ ምውድኡን ዘመላኽት እዩ። ኣብቲ ዞባ ላዕለዋይ ኮማንደር ሰራዊት ዝኾነ ጀነራል ኬኔት ማክኬንዚ ብጠቕላላ ነፈርቲ ኣመሪካ ልዕሊ 123 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ከም ዘግዓዛ ገሊጹ። ኣብዚ መዓልታዊ ብማእከላይ ልዕሉ 7500 ሰባት ክግዕዙ ከም ዝተገብረ ሓቢሩ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ድሕሪ ምውጻእ ሰራዊቱ ካብ ዋሽንግተን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ምግዓዝ \"ገዚፍ ወተሃደራዊ፣ ዲፕሎማሲያውን ሰብኣውን ተግባር\" ምዃኑን ክሳብ ሕጂ ኣመሪካ ካብ ዝወገነቶም ኣጸገምቲ ጉዳያት እቲ ሓደ ምዃኑን ተዛሪቡ። \"ሓድሽ ምዕራፍ ተጀሚሩ ኣሎ። እቲ ወተሃደራዊ ልኡኽ ኣብቂዑ ሓድሽ ዲፕሎማሲያዊ ልኡኽ ተጀሚሩ\" እውን ኢሉ። ይኹን'ምበር ጣሊባን ዜጋታት ብናጻ ካብን ናብን ንክንቀሳቐሱ ከፍቅድ፣ መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ኩሎም ዜጋታትን ክሕሉ፣ ኣሸበርቲ ጉጅለታት ኣብታ ሃገር ባይታ ከይረኽቡ ክከላኸልን ዘኽእሎ ውፍይነትን ግዴታን ንክህልዎ ሕጋውነት ክላበስ ከም ዘለዎ ኣተሓሳሲቡ። ወሲኹ ኣመሪካ ኣብ ካቡል ዝነበራ ዲፕሎማሲያዊ ህላወ ብምቁራጽ ናብ ቀጠር ከም ዘዛወረቶ ብምሕባር ኣመሪካውያንን ፓስፖርት ኣመሪካ ዝሓዙ ኣፍጋኒስታናውያንን ካብታ ሃገር ክወጽኡ እንተደልዮም ክትሕግዞም ምዃናን እውን ገሊጹ። ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ንዝሓለፉ 17 መዓልታት እዚ ስርሒት ኣብ ምፍጻም ንዝተዋፈሩ ኣመስጊኑ። ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ ስዒቡ፡ ዕጡቓት ጣሊባን ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ብምእታው ነፈርቲ ዘለዎ ኣመሪካ ገዲፋቶ ዝወጽአት መኽዝን ሓዊሱ ኣብቲ ከባቢ ንዝነበሩ ቐረባት ወሪሶም። ገለ ዕጡቓት'ውን ወተሃደራዊ ክዳንን ዕጥቅን ኣመሪካ ተኸዲኖም ተራእዮም። ኣብ ቀረባ ኣመሪካ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ቖልዓ ሽዱሽተ ዓመትን ንወተሃደራት ኣመሪካ ኣተርጓሚ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረን ዝርከቡዎም ኣፍጋኒስታናውያን ሰላማውያን ሰባት ብዛዕባ ዝቐተለ ደብዳብ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣመሪካ ዝምልከት መብርሂ ክትህብ ትጽቢት ይግበር። ስድራ ግዳያት፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ጥቓ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝተፈጸመን ብግጉይ ሓበሬታ ዝበጽሐ ምዃኑን ይዛረቡ። ፔንታጎን ብወገኑ ነቶም ጸብጻባት ይምርምር ኣለኹ ኢሉ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58391207"} {"headline":"ኒጀር፡ እስላማውያን ዕጡቓት ህጻናት የጥቅዑ ምህላዎም ኣምነስት ኢንተርናሽናል ገሊጹ","content":"ኣብ ምዕራብ ኒጀር ብእስላማዊ ዕጡቃት ዝፍጸም መጥቃዕትታት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናዛየደ ይኽይድ ከምዘሎን ህጻናት ዒላማ ናይቶም ዕጡቓት ይኾኑ ምህላዎምን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ገሊጹ። እቲ ጸብጻብ ኣብቲ ምስ ማሊን ቡርኪናፋሶን ዝዳወብ ታላባሪ ዝባሃል ዞባ ናይ ኒጀር እቲ በቶም እስላማውያን ዕጡቃት ዝፍጸም መጥቃዕትን ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝፍጸም ዘሎ ቅትለትን ዝበኣሰ ከምዝኾነ የርኢ። ኣብቲ ዞባ ካብ 1 ጥሪ ክሳብ 29 ሓምላ ናይ 2021 ጥራይ ልዕሊ 500 ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉን እቲ ቁጽሪ ነታ ኣብ መላእ 2020 ዝተመዝገበ ሞት 379 ሰለማውያን ሰባት ከምዝዛየዶ ኣብቲ ጸብጻብ ተሓቢሩ። እቲ ጸብጻብ ብምስዓብ ካብቶም ብዕጡቓት ዝተቐተሉ እቶም ልዕሊ 60 ህጻናት ምዃኖም ይጠቅስ። ብመሰረት ካብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ሓደ ምስ ኣልቃዒዳ ጥቡቕ ርክብ ዘለዎ ጀይኤንኣይኤም [JNIM] ዝተብሃለ እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ህጻናት ገፊፉ ወተሃደራቱ ይገብሮም ከምዘሎ ተፈሊጡ። እቲ ጉጅለ ዕድሚኦም ካብ 15 ክሳብ 17 ዝኾኑ ህጻናት ብመግቢ፤ ሰልድን ክዳንን ኣስዲዑ ናብ መሳርዑ ይጽንብሮም ከምዘሎ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ይጠቅስ። ኣብ ዞባ ታላበሪ ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታ ኣማኢት ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን ኣለዋ። እቲ ጸብብጻብ ብምስዓብ ኣካላት ጸጥታ ኒጀር፡ ድሕነትን ሰላምን እቲ ከባቢ ከውሕሱ ከምዘይክኣሉን ንሶም'ውን ተወሳኺ ግህሰታት ይፍጽሙ ከምዘለዉን ከሲሱ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/58541863"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን፡ ድሕሪ 20 ዓመት ናብ ካቡል ዝተመልሰ ጣሊባን መን'ዩ?","content":"ንኣፍጋኒስታን ዘመሓድር ዝነበረ ጣሊባን ብ2001 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ካብ ስልጣን ወሪዱ። ን20 ዓመታት ኣንጻር ሰራዊት መንግስቲ ኣፍጋኒስታን፣ ኣመሪካ፣ ብሪጣኒያን ኔቶን ክዋጋእ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ፡ ብሰንበት ዳግም ስልጣን ከም ዝተቖጻጸረ ኣዊጁ። ጣሊባን፡ እዚ ኹሉ ዓመት ምስ ኣመሪካ እንትዋጋእ ክልቲኦም ወገናት ካብ ኲናት ወጻእ ዝኾነ ዓይነት ዘተ ኣካይዶም ኣይፈልጡን። ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ግን ንፈለማ እዋን ንልዝብ ኮፍ ኢሎም፤ እዚ ኣብ ቀጠር ዶሓ ዝተኻየደ'ዩ ነይሩ። እቲ ልዝብ፡ ኣመሪካ ሰራዊታ ካብ ኣፍጋኒስታን ንምውጻእ ብምውሳና ዝመጽአ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት። ኣብ ሞንጎ ጣሊባንን ኣመሪካን ዝተገብረ ዝርርብ ንውሕ ዝበለ ግዜ ዝወሰደ ኮይኑ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2020 ተሰማሚዖም። እቲ ስምምዕ ኣመሪካ ሙሉእ ንሙሉእ ስራዊታ ካብ ኣፍጋኒስታን ከተውጽእ፣ ጣሊባን ድማ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ዝኾነ ዓይነት መጥቃዕቲ ከይፍጽም፣ ጣሊባን ምስ ኣልቃዒዳን ካልኦት ኣሸበርቲ ጉጅለታትን ምትሕብባር ከይገብር ከምኡ'ውን ጣሊባን ኣብ ዝሓዞም ከባቢታት እዞም ጉጅለታት ከይንቀሳቐሱ ዝብሉ'ዮም። ብቋንቋ ፓሽቶ [ብዓሌት ህንዲ-ኤውሮጳ ዝዝረብ'ዩ] \"ተመሃሮ\" ማለት'ዩ። እዚ ቋንቋ ኣብ ኣፍጋኒስታን፣ ፓኪስታንን ኢራንን ክዝረብ እንከሎ፡ ናይ ስራሕ ቋንቋ ኣፍጋኒስታን'ውን እዩ። ጣሊባን ኣብ መጀመርታ 1990ታት ኣብ ሰሜን ፓስኪታን ዝተበገሰ ዘይስሩዕ ምንቅስቓስ ኮይኑ፡ ኣብቲ ግዜ ዝነበረት ሕብረት ሶቭየት ሰራዊታ ካብ ኣፍጋኒስታን ምስ ኣውጽአት ዝተወደበ'ዩ። እዚ ምንቅስቓስ ክጅመር እንከሎ መንፈሳዊ መልክዕ ነይሩዎ ይብሃል። ድሕሪ'ዚ፡ ካብ ስዑዲ ዓረብ ጥቡቕ እስልምና ዝሰብኹ ሙሁራት መናእሰይ ብምምጽኦም ክጠናኸር ጀሚሩ። እቲ መንፈሳዊ ምንቅስቓስ ድማ ፖለቲካዊ መልክዕ እናሓዘ መጺኡ። በዚ ኣገባብ ካብ ዘይስሩዕ ምንቅስቓስ ናብ ጉጅለ ክዓቢ ክኢሉ። እዚ ጉጅለ ኣብ ሞንጎ ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን ዝርከብ ግዝኣት ፓሽቱ ብምሓዝ ጽኑዕ ምምሕዳር ሸሪዓ ተግባራዊ ገይሩ ሰላምን ድሕነትን ንምምጻእ ከምዝወፍር ተመጻቢዑ። ከምዚ እናበለ፡ እቶም መናእሰይ ካብ ደቡባዊ ምዕራብ ኣፍጋኒስታን ተበጊሶም ጽልዋ ክፈጥሩ ጀሚሮም። ኣብ መስከረም 1995 ዓ.ም ድማ ምስ ኢራን ትዳወብ ሄራት ዝተባህለት ግዝኣት ተቖጻጺሮም። ድሕሪ ሓደ ዓመት ከኣ ንካቡል ተቖጻጺሮም። ኣብቲ እዋን ቡርሃንዱኒ ራባኒ ፕሬዝደንት ኣፍጋኒስታን ነይሩ። ንሱ ሓደ ካብ ኣቦታት ናጽነት ኣፍጋኒስታን ተባሂሉ ዝውሰድን መስራቲ ንሶቭየት ሕብረት ተቓሊሱ ናይ ዘውጽአ ጉጅለ ሙጃሂዲ [ሓርበኛታት] እዩ። ከም ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ ብ1998 ጣሊባን 90 ሚኢታዊት ኣፍጋኒስታን ተቖጻጺሩ ነይሩ። ኣብዚ ግዜ ሰፊሕ ህዝባዊ ተቐባልነት'ውን ረኺኑ ነይሩ። ጣሊባን ብፍላይ ብልሽውናን ስርዓት ኣልቦነትን ብምጥፋእ ይንኣድ። ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ቀንዲ መገዲታት ብምቁጽጻርን ድሕነት ብምርግጋጽን ምንቅስቓስ ንግዲ ንክሰፍሕ ብምግባሩ ኣብ ሓጺረ እዋን ልዑል ቕቡልነት ክረኽብ ሓጊዙዎ ነይሩ። ጣሊባን ጥቡቕ ሕግታት ሸሪዓ ኣብ ተግባር ክውዕል ከም ዝድግፍ ይንገር። ንኣብነት ደቂ ኣንስትዮ ካብ ጸጉሪ ርእሰን ክሳብ ጽፍሪ እግረን ዝሽፍን ክዳን ክኽደና ከገድድ እንከሎ፡ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ጭሕሞም ከንውሑ የገድድ። ምንዝርና ዝፈጸሙ ኣብ ኣደባባይ ክስቀሉን ዝሰረቑ ኣእዳዎም ክቑረጽን'ውን ገይሩ'ዩ። ጣሊባን ቴሌቪዥን፣ ሙዚቃን ሲነማን ሙሉእ ንሙሉእ ክእግድ እንከሎ፡ ዕድሚአን ልዕሊ 10 ዓመት ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ትምህርቲ ከይምሃራ ብምኽልካሉ ሓያል ነቐፌታ ገጢሙዎ። እዚ ጉጅለ ብከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክኽሰስ እንከሎ፡ ብ2001 ዓ.ም ኣብ ማእከላይ ኣፍጋኒስታን ዝነበረ ፍሉጥ ሓወልቲ ቡድሃ ክፈርስ ምግባሩ ይዝከር። እዚ ዓለምለኻዊ ናዕቢ ኣልዒሉ ነይሩ። ጉጅለ ጣሊባን፡ መንግስቲ ፓኪስታን'ዩ ፈጢሩዎ ኢሎም ዝካትዑ ብዙሓት ኣለው። ፓኪስታን ነዚ ኣይትቕበሎን፤ እንተኾነ መብዛሕትኦም ኣባላት ጣሊባን ኣብ ፓኪስታን ኣብ ሃይማኖታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ዝተመሃሩ'ዮም። ኣብታ ሃገር ኮይኖም'ውን እዮም ነቲ ምንቅስቓስ ጀሚሮምዎ። ጣሊባን ናብ ስልጣን ክመጽእ እንከሎ ኣፍልጦ ካብ ሞንጎ ዝሃባ ሰለስተ ሃገራት ከኣ ስዑዲ ዓረብ፤ ሕቡራት ኢመራት ዓረብን ፓኪስታንን ናይ መጀመርታ ነይራ። ፓኪስታን ንጣሊባን ፈጢራቶ ክትኸውን ትኽእል እያ ካብ ዘብሉ ምኽንያታት እቲ ሓደ ኣቐዲማ ኣፍልጦ ምሃባ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኩነታት ከፊኦም ጣሊባን ተቐባልነት እናስኣነ ክመጽእ እንከሎ እታ ናይ መወዳእታ ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ጠጠው ዘበለት ሃገር እውን ብምዃና'ዩ። ኣብ ኣመሪካ፡ ብ2001 ዓ.ም ድሕሪ ዘጋጠመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ 11 መስከረም ( 9\/11) ሽም ጣሊባን ዓብዪ ኣጀንዳ ዓለም ኮይኑ። ጣሊባን፡ ነቲ ኣብ መናቱ ህንጻታት ኒውዮርክ መጥቃዕቲ ዘብጽሐ መራሒ ኣልቃዒዳ ኦሳማ ቢን ላደን ከለላ ብምሃቡ ነገራት ክቀያየሩ ጀሚሮም። ብጥቅምቲ 2001 ከኣ ኣመሪካ እትመሰርሖ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ኣፍጋኒስታን መጥቃዕቲ ክፍጽም ጀሚሩ። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2001 ዓ.ም ድማ ምምሕዳር ጣሊባን ብወግዒ ፈሪሱ። መራሒ እቲ ጉጅለ ዝነበረ ሙላ መሓመድ ኦማርን መራሒ ኣልቃዒዳ ቢን ላደንን ግን ክሃድሙ ክኢሎም። ኣብቲ እዋን ንዕኦም ንምሓዝ ዝተወስድ ወተሃደራዊ ስርሒት ኣመሪካ ኣብ ታሪኽ ዓለም ኣብ ሞንጎ ዓበይቲ ወተሃደራዊ ኣለሻታት ዝስራዕ ነይሩ። ኣፍጋኒስታን ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ወጻኢ ምስ ወደቐት ብዙሓት ወተሃደራት ካልኦት ሃገራት ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም። እዚ ቑጽሪ ልዑል ምስ ምዃኑ ጣሊባን ደባይ ውግእ ከም መቃለሲ ስትራቴጂ ክኸውን ወሲኑ። ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ካቡል ብዙሓት መጥቃዕታት ደባይ ክፍጸሙ ከለው፡ ካብዚኦም እቲ ብ2012 ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከር ኔቶ ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ሓደ እዩ። ጣሊባን ዳግም መዓስ ተላዒሉ? ኣብ ወርሒ መጋቢት 2015፡ ጣሊባን መራሒኡ ሙላህ ኦማር ምሟቱ ንክልተ ዓመታት ከም ዝሓብኦ ተኣሚኑ። ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ድማ እቲ ጉጅለ ኣብ ትሕቲ ኣመራርሓ ሙላህ መንሱር ከም ዝተኣኻኸበ ገለዒጹ። ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ንመጀመርታ ግዜ ኩንዱዝ እትብሃል ወሳኒት ከተማ ከኣ ይቆጻጸር። ብ2016፡ ሙላህ መንሱር ብነፋሪት ኣመሪካ ተቐቲሉ፤ ምክትሉ መውላዊ ሂባቱላህ ኣኩንዛዳ ከኣ መራሒ እቲ ጉጅለ ኮይኑ ተሾመ። ኣብ ወርሒ ለካቲት 2020 ጣሊባንን ኣመሪካን ገጽ ንገጽ ዘካየዱዎ ዝርርብ ተወዲኡ ተባሂሉ። ድሕሪ'ዚ ጣሊባን ሜላ ውግእ ቐይሩ። ኣብ ክንዲ ወተሃደራዊ ቦታታት ምጥቃዕ ፍሉጣት ጋዜጠኛታት፣ ዳያኑን መራሕትን ብዝተዋደደ መልክዑ ክቐትል ጀሚሩ። እዚ ከኣ ጣሊባን ናይ ኣኽራሪ ዝንባልኡ ከም ዘይቐየረ ዘመላኽት ኮይኑ። ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ሓድሽ ፕሬዝደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ኣመሪካ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ መዓልቲ 11 መስከረም ኣብ ኣፍጋኒስታን ን20 ዓመታት ዝነበራ ጻንሒት ከብቅዕ'ዩ ኢሉ። ድሕሪ'ዚ፡ ጣሊባን ቑጽሪ ዝቆጻጸረን ግዝኣታትን ከተማታትን ከስፍሕ ጀሚሩ። ቑጽሪ ወተሃደራቱ'ውን ብዝለዓለ መጠን ወሲኹ። ኔቶ ከም ዝብሉ፡ ጣሊባን ሕጂ 85 ሽሕ ወተሃደራት ኣለውዎ። ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝወጽኡሉ ግዜ፡ ብዘይ ዝኾነ ውግእ ጣሊባን ኣገደስቲ ከተማታት ክቆጻጸር ተራእዩ። ቤት ጽሕፈት ድሕነት ኣመሪካ ከም ዝብሎ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ኣመሪካ ሰራዊታ ምስ ኣውጽአት ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ክወድቕ ይኽእል'ዩ ኢሉ ነይሩ። እንተኾነ፡ ጣሊባን ሚዛኑ እናደፍአ ምስ መጽአ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ክጸንሕ ኣይክኣለን። ኣመሪካ ቢሊዮናት ዶላራት ኣውጺኣ ሃኒጻቶ ዝብሃል ሰራዊት ኣፍጋኒስታን፡ ንጣሊባን ኣይኮነን ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ንሽዱሽተ ሰሙናት'ውን ጠጠው ከብሎ ኣይክኣለን። ትማሊ ቀትሪ ጣሊባን ንርእሰ ከተማካቡል ተቖጻጺሩ፤ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ድማ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣትዩ። ፕሬዝደንት ኣሽራፍ ጋኒ ከኣ ሃዲሙ ካብታ ሃገር ወጺኡ። ኣመሪካ ሓዊሱ 60 ሃገራት ዜጋታተን ብሰላም ካብ ካቡል ንምውጻእ ነፈርትን ወተሃደራትን ኣውፊረን። ብዙሓት ተንተንቲ፡ እቲ ኩነታት ኣመሪካ ብቬትናም ተስዒራ ዝወጽኣትሉ ኩነታት የወዳድሩዎ ኣለው። ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ግን ነዚ ኮኒኑዎ። \"ቅድሚ 20 ዓመት ናብ ኣፍጋኒስታን ክንኣቱ ከለና ሓደ ነገር ከነዐውት ብዝብል'ዩ ነይሩ፤ ንሱ'ውን ኣዐዊትና ኢና\" ኢሉ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58236699"} {"headline":"‘ኣመሪካ ከይነገረትና ካብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ወጺኣ’ ሰብ መዚ ኣፍጋኒስታን","content":"ሓዲሽ ሓላፊ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ባግራም ኮይኑ ዝተመዘዘ ኣፍጋናዊ ጀነራል፡ ኣመሪካ ነቲ ቀንድን ዝዓበየን ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝነበራ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ባግራም ንሰብ መዚ ኣፍጋኒስታን ከይነገረት ብለይቲ ገዲፋቶ ከምዝወጽአት ሓቢሩ። ኣፍጋናዊ ጀነራል ኣሳዱላህ ኮሂስታኒ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ መዓስከር ባግራም ዓርቢ ለይቲ ሰዓት ሰለስተ ከምዝወጽኡ ንሶም ግን [ሰብ መዚ ኣገፍጋኒስታን] ድሕሪ ስዓታት እቲ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ጥራዩ ምህላዉ ምፍላጦምን እዩ ገሊጹ። ኣብቲ ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ካብ ትጥቀመሉ መዓስከራት ዝዓበየ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ባግራም ኣብ ውሽጡ ክሳብ 5000 ዝኾኑ ካብ ዝተኣሰሩ ጣሊባን ከምዝነበርዎን ግቡእ ምርኽኻብ ናይ እሱራት ከምዘይተገበረን እቲ ኣፍጋናዊ ጀነራል ንቢቢሲ ገሊጹ። ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ካብ ዘንሳሕብ፡ ጣሊባን ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝያዳ ክዕብልሉ'ዮም ዝርኣዩ ዘለዉ። ጀነራል ኣሳዱላህ ኮሂስታኒ: ብሰኑይ ጣሊባን ንባግራም ከጥቅዕዋ መደብ ከምዝነበሮም ክፍልጡ ምኽኣሎም'ውን ገሊጹ። እቲ ጀነራል ኣብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ባግራም ኮይኑ ንጋጤኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ጣሊባን ኣብ ቀረባ ካብቲ መዓስከር ኣብ ዝርከባ ቁሸታት ወተሃደራዊ መንቅስቃሳት ጀሚሮም ምህላዎም ሓቢሩ። \"ክትፈልጥዎ ዘለኹም ንዓቕምና ምስ ናይ ኣመሪካ ዓቕሚ እንተኣወዳዲርናዮ ዓቢ ፍልልይ'ዩ ዘሎ\" ድሕሪ ምባል \"እንተኾነ ብዘለና ዓቕሚ፡ ንህዝባና ነኸነገልግልን ሰላሙ ከነውሕስን ንሰርሕ ኣለና\" ኢሉ። ኣመሪካ ብዓርቢ ካብ ኣመሪካ ጠቕሊላ ምስ ወጽአት፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝነበራ ን20 ዓመታት ዝቀጸለ ወተሃደራዊ ስርሒት ከምዝዛመት ዝሕብር እዩ ነይሩ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት፡ ወተሃደራት ኣመሪካ 11 መስከረም 2021 ጠቅሊሎም ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጽኡ እዮም እኳ ኢሉ እንተነበረ፡ ቅድሚ እቲ ዝበሎ ጥቅሊሎም ካብ ኣፍጋኒስታን ወጺኦም ኣለዉ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣፍጋኒስታን ካብ ዝነበሩ ወተሃደራት ኣመሪካ እቶም 90 ሚኢታዎት ጠቅሊሎም ከምዝወጽኡ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ [ ፔንታጎን] ብሰሉስ ኣፍሊጡ። ጀነራል ኣሳዱላህ ኮሂስታኒ ንኤፒ ከም ዝሓበሮ፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣሽሓት ናይ ፕላስቲክ ማይ፤ ሓይሊ ዝህብ ፈሳሲ፤ ዝተዓሸገ መግቢ፤ ኣሽሓት መፍትሕ ዘይብለን ናይ ሲቪል መካይን፡ ኣማኢት ወተሃደራውያን መካይንን ዝርከቦ ልዕሊ 3.5 ሚልዮን ዝኸውን ንብረት ገዲፎም'ዮም ወጺኦም ኢሉ። ውሃቢ ቃል ምክልኻል ኣመሪካ ኮሮኔል ሶኒ ለጋት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝውጽእዎ መግልጺ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ብዙሓት መዓስከራት ጠቅሊሉ ክወጽእ ምኳኑ ምስ ዝተፈላለዩ ሰብ መዚ ኣፍጋኒስታን ከምዝተመያየጡ ገሊጹ ነይሩ። ኣፒ፡ እቶም ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ውሽጡ 20 ደቓይቅ ካብ ባግራም ከምዝወጽኡን ናይቲ ሓይሊ ኣየር ኤለትሪክ ስለዝጠፈአ እቲ ቦታ ጸልማት ከምዝወረሶን ሓቢሩ። እቲ መዓስከር ሰረቅቲ ከምዝኣተዉዎን ኣብ ዝቀጸሉ መዓልታት ካብቲ መዓስከር ዝተሰረቐ ንብረት ኣብ ጎዶናታት ክሽየጥ ከምዝተራኣየ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንኤፒ ገሊጾም። መዓስከር ሓይሊ ኣየር ባግራም ክሳብ 10 ሽሕ ዝኾኑ ወተሃደራት ኣመሪካን ኔቶን ዝነበርዎ ኣዝዩ ምዕቡል መዓስከር እዩ ነይሩ። እዚ ኣብ 1950ታት ብሶቭየት እተሃንጸ መዓስከር፡ ሕብረት ሶቭየት ኣብ 1980ታት ኣብ ኣፍጋኒስት እቲ ቀንዲ መዓስከራ ከምዝነበረ ይንገር። ኣመሪካ ኣብ 2001 ኣንጻር ኣልቃዒዳ ኵናት ንምክያድ ኢላ ናብ ኣፍጋኒስታን ምስ ኣተወት ኸኣ ቀንዲ መዓስከራ ገይራ ክትግልገለሉ ጸኒሓ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57745703"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን፡ 'ሰንበት-ኣብ መላእ ህይወተይ እታ ዝኸፈኣት መዓልቲ እያ ነይራ'","content":"ጣሊባን፡ ንኣፍጋኒስታን ካብ ዝቆጻጸር ንድሓር ትማሊ ሰሉስ ፈላማይ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቡ። ወሃቢ ቃል ጣሊባን ዛቢሁላህ ሙጃሂድ፡ \"ን20 ዓመት ድሕሪ ዘካየድናዮ ቓልሲ ነታ ሃገር ሓራ ብምውጻእ ንወጻእተኛታት'ውን ሰጒጉናዮም\" ክብል ተሰሚዑ። እዚ መላእ ሃገር እትሕበነሉ እዋን እዩ ዝበለ እቲ ወሃቢ ቃል፡ ድሕሪ ሕጂ ኣፍጋኒስታን ዓውደ ውግእ ከም ዘይኮነት ከነረጋግጽ ንፈቱ ክብል ተዛሪቡ። ቢቢሲ፡ ጣሊባን ንካቡል ክሳብ ዝቖጻጸር ንኣስታት ክልተ ዓመት ኣብ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ንዝሰርሐት ሓንቲ ውልቀሰብ ኣዘራሪቡ። እቶም ጉጅለ ነታ ከተማ ምስ ተቖጻጸሩ ዝነበራ ስምዒትን ዝሓደራ ስግኣትን ከኣ ኣውጊዓትና። ሰንበት-ኣብ መላእ ህይወተይ እታ ዝኸፈኣት መዓልቲ እያ ነይራ ንጉሆ ናብ ስርሐይ ኸይደ። ኣብ በሪ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዋርድያ ረኺበ። ብጣዕሚ ውሑዳት ሰባት'ዮም ነይሮም፤ ኣብ ካልእ መዓልቲ ከምዚ ኣይነበረን። ጣሊባን ኣብ ጸግዒ እታ ከተማ ስለ ዝነበረ ሰባት ኣዝዮም ፈሪሖም ነይሮም። እንተኾነ እዞም ዕጡቓት መሊኦም ናብታ ከተማ ክኣትው'ዮም ዝብል እምነት ኣይነበረንን። ኣጋ ምሸት ካብ ስራሕ ወጺአ። ናይ ሞባይለይ ቻርጀርን ገለ ውልቃዊ ሰነዳትን ሒዘ ተበጊሰ። ኩሉ ክንዲ ዝኽኣሎ ገንዘብ ከውጽእ ጸደፍደፍ ይብል ስለ ዝነበረ ኣነ'ውን ዝተወሰነ ገንዘብ ንከውጽእ ናብ ባንኪ ከይደ። ነዊሕ ሪጋ ነይሩ፤ ሓያል ወጥሪ'ውን ዓሲሉ ይርኣይ። ናብ ባንኪ ምስ ኣተኹ፡ ኣደይ፣ ሓፍተይን ሓወይን ቴሌፎን ይድውሉለይ። እዋእ - ዝኾነ ሕማቕ ነገር ተፈጢሩ'ሎ ማለት እዩ ኢለ ዚያዳ ተሻቒለ። መሊሰ ናብ ኣደይ ምስ ደወልኩ፡ ርብሽብሽ ኢላ 'እዚ ኹሉ ክንድውለልኪ ከለና ኣበይ ነይርኪ፤ እንታይ ትገብሪ ነይርኪ?' ኢላ ነዲራ ትሓተኒ። ጣሊባን ኣብ ምዕራብ ሸነኽ እታ ከተማ ስለ ዘለው ቐልጢፈ ናብ ገዛ ክኣቱ ትሕብረኒ። ሰንቢደ፤ ፈሪሐ፤ ተሻቒለ። ኩሉ ሰብ ይሃድም ነይሩ። ዋናታት ሹቕ ናይ ስራሕ ቦትኦም እናዓጸው ኩሉ ሰብ ናብ ገዝኡ ይጉዪ። ሓወይ ደዊሉ ብቕልጡፍ መኪና ገይረ ክወስደኪ ኢሉኒ፤ ግን ድማ መገዲ ተዓጽዩ ስለ ዝነበረ ኣይተኻእለን። ብእግረይ እናተጉዓዝኩ ታኽሲ እንተረኸብኩ'ውን ይፍትን ነይረ። ኣብዚ ግዜ ሰብ ከም ውሑጅ ይሃድም ነይሩ። እቲ ፍርሐይ ዝነበረ፡ ናይ ስራሕ ክዳን ተኸዲነ እናሃለኹ ጣሊባን እንተረኺቦምኒ ክቐትሉኒ'ዮም ዝብል'ዩ። መወዳእትኡ ዳርጋ ድሕሪ ክልተ ሰዓት ናብ ገዛይ በጺሐ። ሰንቢደ ስለ ዝነበርኩ ንስድራይ ከዛርቦም'ውን ኣይክኣልኩን። ፈጺመ ኣብ ህይወተይ ዘይርስዐ መዓልቲ'ያ። ሙሉእ ለይቲ ዝኾነ ሰብ ኣፍ ደገ ገዛና እንተኣንኳሕኮሐ'ኸ ብዝብል ስግኣት ተወጢረ ሓዲረ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኩሉ ሰብ ንነብሱ ዝሓብኣሉ ቦታ'ዩ ዝደሊ ነይሩ። ኣነ'ውን ናብ ናይ ቤተሰብ ገዛ ከይደ ክሕባእ ሓሰብኩ፤ ግን ድማ እዚ'ውን ኣይሰለጠን። ሕጂ ኣብ ገዛይ ኮይነ ውሕስነት ይስምዓኒ። ናብ ገዛና እንተመጺኦም ዋላ ሓደ ንመንግስቲ ይሰርሕ ምንባረይ ኣይፈልጥን። ጣሊባን፡ ሓይልታቱ ናብ ገዛ ኣትዮም ከም ዘይፍትሹ ገሊጹ'ዩ። ግን ድማ ኣይንኣምኖን። ኣብ ቴሌቪዥን ክርእዮም ከለኹ ይሓዝን፤ ይሓርቕ። ጭካንኦም ርኢና'ዮ ኢና - ከመይ ኣቢልና ንኣምኖም? ሕጂ'ውን ስለ ዝፈርሕ ለይቲ ኣይድቅስን። ካብታ ሃገር ንክወጽእ ቪዛ ይጽበ ኣለኹ፤ ግን በዚ'ውን ርግጸኛ ምዃን ኣይክኣልን። ኣብ ኣፍጋኒስታን እንተጸኒሐ ክሰርሕ ከፍቅዱለይ ድዮም? ኣይመስለንን። መጻኢየይ ኣብ ኣፍጋኒስታን ውሑስ'ዩ ኣይብልን። ይመስለኒ ኩሉ ነገር ኣብቂዑ'ዩ። ተስፋ የብለይን። ብሰሉስ ጣሊባን መግለጺ ክህብ እንከሎ፡ ወሃቢ ቃል ዛቢሁላህ ሙጃሂድ ብዙሕ ኣርእቲ ኣልዒሉ ተዛሪቡ'ዩ። ኣብዚ ታሪኻዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ካብ ጋዜጠኛታት ብዙሓት ሕቶታት ክለዓሉ እንከለው፡ ሙጃሂድ \"ኣብ ትሕቲ ሕጊ እስልምና\" መሰል ደቂ ኣንስትዮ ክኽበር'ዩ ኢሉ። ናብቲ ወሃቢ ቃል ካብ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት ሕቶታት ቐሪቦምሉ'ዮም። መብዛሕትኦም ደቂ ኣንስትዮ ክምሃራ፣ ክሰርሓ ከተፍቅዱ ዲኹም ዝብል ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎም እዮም። ኣብታ ሃገር ሓያል እስላማዊ መንግስቲ እዩ ክህሉ ዝበለ ሙጃሂድ፡ \"ኣብ ቀረባ ኩሎም ትካላት መንግስቲ ናብ ስራሕ ክምለሱ ንደሊ። ኩሉ ከኣ ብመሰረት ሕጊ ሸሪዓን እስላማዊ ሕግን ናብ ስራሕ ክምለስ ይፍቀደሉ'ዩ። ትምህርቲ፣ ፖሊስ ይኹን ካልኦት ትካላት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ስለ ዘድልዮም ናብ ስራሕ ክመጽኡ ፍቑድ'ዩ\" ኢሉ። እቲ ዝምስረት መንግስቲ ሕግታት ሽሪዓ ዝኽተል ምዃኑ ሓቢሩ'ዩ። ሸሪዓ፡ መምርሕታት ህይወት እስላም ዝሓዘ ሕጊ ኮይኑ ኣመንቲ ስድራቤታዊ፣ ማሕበራዊ፣ ቑጠባውን ፖለቲካውን ህይወቶም በዚ መንፈሳዊ ሕጊ ዝቃነ ይኸውን ማለት'ዩ። በዚ መሰረት፡ ደቂ-ኣንስትዮ ከም ኒቃብ፣ ሒጃብን ቡርቃን ዝመሰሉ ካብ ጸጉሪ ርእሰን ክሳብ ጽፍሪ እግረን ዝሽፍኑ ኣከዳድና ክኽደና ይግደዳ። ጣሊባን ቅድሚ 20 ዓመት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ጣሊባን ቴሌቪዥን፣ ሙዚቃን ሲነማን ምሉእ ብምሉእ ክእግድ እንከሎ፡ ዕድሚአን ልዕሊ 10 ዓመት ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ትምህርቲ ከይምሃራ ብምኽልካሉ ሓያል ነቐፌታ ክገጥሞ ጸኒሑ'ዩ። ወሃቢ ቃል ዛቢሁላህ ሙጃሂድ \"ሕጂ ኣብ እንወስዶም ስጉምታት ዝምልከት ዝመጽአ ለውጢ ብምህላው ኣብ ሞንጎ እቲ ቅድሚ 20 ዓመት ዝነበረ ጣሊባንን ዓብዪ ፍልልይ ኣሎ ኢሉ\" ክብል ኣብቲ መግለጺኡ'ኳ እንተሓበረ ዝርዝር ደቂ ኣንስትዮ ዝረኽብኦ መሰል ግን ኣይሓበረን።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58259413"} {"headline":"ዕጡቓት ጣሊባን ብኸመይ ኣብ ሓጺር እዋን ሰፊሕ ከባቢታት ክቆጻጸሩ ክኢሎም?","content":"ዕጡቓት ጣሊባን ኣብ ኣፍጋኒስታን ሰፊሕ ከባቢታት ዝተቖጻጸሩሉ ቅልጣፈ ንብዙሓት አገሪሙ እዩ። ጸወታ ገበጣ ብዝመስል ፍጥነት ብርክት ዝበላ ርእሰ ከተማታት ዝተፈላለያ ግዝኣታት እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ጣሊባን ኣትየን ኣለዋ። ሕጂ እቲ ሓይሊ ሚዛን ናብቶም ዕጡቓት ከም ዘዘምበለ ርግጽ ኮይኑ፤ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ድማ ስልጣኑ ከውሕስ ይቃለስ ኣሎ። ኣብዚ ሰሙን ካብ ድሕነት ኣመሪካ ሰሊኹ ዝወጽአ ሓደ ሰነድ፡ ርእሰ ከተማ ኣፍጋኒስታን ዝኾነት ካቡል ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ግዳይ እቲ መጥቃዕቲ ክትከውን ከም እትኽእልን  መንግስቲ እውን ኣብ ውሽጢ 90 መዓልቲታት ክፈርስ ከም ዝኽእልን የመልክት፡፡ እዚ ኹሉ ብኸመይ ኣብ ሓጺር እዋን ክለዋወጥ ክኢሉ? ንዝሓለፉ 20 ዓመታት፡ ኣመሪካን መሻርኽታ ኔቶን ዓባይ ብሪጣንያ ሓይልታት ኣፍጋኒስታን ኣብ ምስልጣንን ምዕጣቕን እዮም ኣሕሊፎምዎ። ብዙሓት ጀነራላት ኣመሪካን ብሪጣንያን ሓያልን ብቑዕን ሰራዊት ኣፍጋኒስታን ፈጢርና ኣለና ኢሎም ክምክሑ ጸኒሖም። ሕጂ ግን እዚ ኹሉ ማይ ዝዓኾተ ይመስል። ጥንካረ ዕጡቓት ጣሊባን ከምቲ የመሓድሮ እየ ዝብሎ ብዝሒ ሰራዊት ብደረጃ ክልሰ ሓሳብ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ኣብቲ ኲናት ጸብለል ክብል ይግበኦ ነይሩ፡፡ ብውሑድ ኣብ ወረቐት ዝተመዝገቡ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣፍጋኒስታን 300 ሽሕ ይኾኑ። እዚ ቁጽሪ ሰራዊት ኣፍጋኒስታን፣ ሓይሊ ኣየርን ፖሊስን ዘጠቓለለ እዩ፡፡ እቲ ሓቂ ግና ወትሩ እታ ሃገር ዘድልያ ብዝሒ ሰራዊት ንምምልማል ምስ ተጸገመት እያ፡፡ ሰራዊትን ፖሊስን ኣፍጋኒስታን ብዙሕ መጉዳእቲ ብምትእንጋድ፣ ብክድዓትን ብልሽውናን ጽቡቕ ዘይኮነ ሽም ኣለዎም። ገለ ኣስሓኮ ዘይብሎም ኣዘዝቲ ከኣ ኣብ ወረቐት እምበር ብኣካል ናይ ዘየለዉ ወታሃደራት ሽም እናጸሓፉ ንባዕሎም መሃያ ከም ዝወስዱ ይግለጽ፡፡ ንኣፍጋኒስታን ዝቖመ ፍሉይ ተቖጻጻሪ ኣካል (SIGAR) ኣብ ቀረባ እዋን ንኮንግረስ ኣመሪካ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ሳዕቤናት ብልሽውናን ንጥንካረ ሓይልታት እታ ሃገር ኣመልኪቶም ዝወጽኡ ጸብጻባትን ስክፍታታት ከም ዘለዎ ገሊጹ ነይሩ፡፡ ኣብ ሮያል ዩናይትድ ሰርቪስስ ኢንስቲትዩት ዝሰርሕ ጃክ ዋትሊንግ ሰራዊት ኣፍጋኒስታን እውን እንተኾነ ክንደይ ዝኣክል ኣባላት ከም ዘለዎ ርግጸኛ ኮይኑ ኣይፈልጥን ይብል፡፡ ብተወሳኺ ኣጽዋርን ሞራልን ኣብ ምቃዕብ ጸገም ከም ዝነበረ ይገልጽ። ብዙሕ ግዜ ወተሃደራት ናይ ቤተሰብ ወይ ዓሌት ምትእስሳር ናብ ዘይብሉ ከባቢ ይለኣኹ፤ እዚ ድማ ገሊኦም ኣብ ሓንቲ ኲናት እኳ ከይተሳተፉ ስርሖም ክገድፉ ካብ ዝገብሩ ምኽንያታት ሓደ ክኸውን ይኽእል፡፡ ካብዚ ብምብጋስ ጥንካረ ጣሊባን ንምምዛን እውን ይኸብድ እዩ፡፡ ካብ ማእከል ምክልኻል ግብረ ሽበራ ኣመሪካ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ጣሊባን ኣስታት 60 ሽሕ ዝሰልጠኑ ተዋጋእቲ ኣለዉዎ፡፡ ካልኦት ሚልሻታትን ደገፍትን ተደሚሩ ግን ዘለዎ ሓይሊ ካብ 200 ሽሕ ክዛይድ ይኽእል፡፡ ወታሃደራዊ መኮነን ሰራዊት ብሪጣንያ ዝነበረን ‘ኢንቲሜት ዋር’ ዝብል መጽሓፍ ዝጸሓፈን ዶክተር ማይክ ማርቲን ጣሊባን ከም ሓደ ዓይነት ጉጅለ ጌርካ ምውሳድ ሓደገኛ ከም ዝኾነ እዩ ዝገልጽ፡፡ ንሱ፡ ጣሊባን ዳርጋ ናይ ዝተፈላለዩ ዓርሶም ዝኸኣሉ ግን ድማ ጊዝያዊ ምሕዝነት ዘለዎም ጉጅለታት ጥምረት እዩ ይብል፡፡ ኣጽዋር ኲናት ናይ ምርካብ ዕድል መንግስቲ ኣፍጋኒስታን፡ ብዝረኽቦ ድጎማን ኣጽዋርን ሕዚ እውን ላዕለዋይ ኢድ ክሕዝ ይግበኦ ነይሩ፡፡ ንወተሃደራቱ ዝኽፈል ደሞዝ ብቢልዮን ዶላር ዝቑጸር ገንዘብን ኣጽዋር ኲናትን ብፍሉይ ካብ ኣመሪካ ተቐቢሉ እዩ፡፡ እቲ ፍሉይ ተቖጻጻሪ ኣብ ሓምለ 2021 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ድሕነት ኣፍጋኒስታን ንምህናጽ 88 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ተገይሩ እዩ ኢሉ፡፡ ‘‘እቲ ገንዘብ ብትኽክል ኣብ መዓልኡ ውዒሉ እንተኾይኑ ብውጽኢት ናይቲ ኣብ ባይታ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝምለስ እዩ’’ ብምባል ይውስኽ፡፡ ሓይሊ ኣየር ኣፍጋኒስታን እውን እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ውጽኢት ከመዝግብ ብዘይምኽኣሉ፡ ኣብቶም ኣብ ቀረባ ዝተኻየዱ ውግኣት ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ክወፍር ግድን ኮይኑ እዩ፤ እንተኾነ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ክሳብ መዓዝ ከም ዝሳተፍ ኣይተፈለጠን፡፡ ፍልፍል ቁጠባ ጣሊባን ኣብቲ ካብ ንግዲ ዕጸ ፋርስ ዝርከቡዎ ኣታዊ ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ብፍላይ ከም ፓኪስታን ካብ ዝኣመሰላ ሃገራት እውን ሓገዝ ይረኽቡ እዮም፡፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዕጡቓት ጣሊባን ካብ ሓይልታት ጸጥታ ኣፍጋኒስታን እናማረኹ ብዙሓት ኣጽዋራት ኲናት ተዓጢቖም እዮም፡፡ ፍሉይ ሓይሊ ኣፍጋኒስታን ብቑጽሪ ውሑዳት እዮም፤ ኣስታት 10 ሽሕ ኮይኖም ክንሶም ብኹሉ ኣንፈት ተወጢሮም ኣለዉ፡፡ ዕጡቓት ጣሊባን ድማ ነቲ ናይ ፕሮፖጋንዳን ተረኽን ኲናት ክዕወቱሉ ይረኣዩ ኣለዉ፡፡ ዘርእይዎ ዘለዉ ብቕዓት ድማ ሞራል ይህቦምን ስምዒት ስምረት ይፈጥረሎምን ኣሎ፡፡ ብኣንጻሩ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ነንርእሱ ይናቖትን ጀነራላት ይሰጉግን ኣሎ፡፡ መወዳእትኡ እንታይ እዩ? እቲ ኩነታት ንመስንግስቲ ኣፍጋኒስታን ተስፋ ዘቑርጽ እዩ ዝመስል፡፡ ጃክ ዋትሊንግ ግና፡ እቲ ኲናት ንሰራዊት ኣፍጋኒስታን ተስፋ ዘይህብ'ኳ እንተኾነ \"እቲ ኩነታት ግን ብፖለቲካ ምድሓን ይከኣል እዩ’’ ይብል፡፡ ንሱ፡ መንግስቲ ንመራሕቲ ዓሌታት ከእምን እንተኽኢሉ ሐዚ እውን ነቲ ኩነታት ክጻወር ይኽእል እዩ ይብል፡፡ ውዒሉ ሓዲሩ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ተመሊሱ ንዕጡቓት ጣሊባን ዝደፍኣሉ ኩነታት ክፍጠር ይኽእል እዩ፡፡ ሐዚ ግና ኣመሪካን ኔቶን ኣብ ኣፍጋኒስታን ሰላም፣ ድሕነትን ምርግጋእን ንምፍጣር ዝገበሩዎ ጻዕሪ፡ ከምቲ ቅድሚኦም ሩስያውያን ዝደኸምዎ ብላሽ ተሪፉ እዩ፡፡","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58208237"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን፡ 'ዓይንን ኣፍን ሰራዊት ኣመሪካ ኢና ነይርና'","content":"ዚያ ጋፎሪ፣ ነፍሰ ጾር በዓልቲ ቤቱን ሰለስተ ኣናኣሽቱ ደቆምን፡ ኣብ ወርሒ መስከረም 2014 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ካብ ካቡል ናብ ኣመሪካ ከይዶም። ኣብ ኣፍጋኒስታን ን14 ዓመታት ምስ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣመሪካ ተርጓሚ ቋንቋ ኮይኑ ስለ ዝሰርሐ፡ ምስ ስድርኡ ናብ ኣመሪካ ዘእትዎ ሓሙሽተ ቪዛ ረኺቡ። እንተኾነ፡ ኣመሪካ ካብ ምእታው ወጻእ ካልእ ኣይረኸበን። ዚያ፡ ሓደ ወለንታዊ ትካል ምስ ስድራኻ ሓድሽ ህይወት መጀመሪ ክኾነካ'ዩ ካብ ዝበሎ ንኡሽቶ መጽለሊ ወጻእ ንነብሱ ቤትን ንብረትን ዘይብሉ ግዳም ሓደር ኮይና ረኺቡዋ። ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት፡ ነቲ ኩነታት ክዝክሮ እንከሎ ሕጂ'ውን የሕምሞ። ሕጂ ኣብ ሰሜን ካሮሊና'ዩ ዝነብር ዘሎ። ግን ድማ ደቀይ ናብዚ ክመጽኡ ብምግባረይ ናብ ኣዒንቶም እናጠመትኩ ይቕሬታ'ውን ክብሎም ኣይኽእልን'ዩ ዝብል። \"ንብዓተይ ክቆጻጸሮ ኣይክእልን፤ ንኽልቲኤን ሃገራት ድሕሪ ዝገበርኩዎ ነገር 'እዚ ድዩ ናይ ኢደይ?' ኢለ ንነብሰይ ይሓታ\" ኢሉ ብጣዕሳ። ምስ ካልኦት መሓዙቱ ብምንጽጻር ግን ወዲ 37 ዓመት ዚያ ናብ ኣመሪካ ክኣቱ ምኽኣሉ ከም ዓብዪ ጸጋ ይርእዮ። ዓሰርታት ኣሽሓት ኣፍጋናውያን፡ ኣብቲ ኣመሪካ ኣንጻር ዕጡቓት ጣሊባን ን20 ዓመታት ዘካየደቶ ውግእ ተርጎምቲ ቋንቋ፣ ሓበርቲ መገድን ኣወሃሃድትን ኮይኖም ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኣመሪካ ተቓሊሶም'ዮም። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ዋላ'ውን ጣሊባን ናብ ስልጣን ክምለሰሉ ዝኽእል ምዕባለታት ይርኣይ እንተሃለወ፡ ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ሰራዊቱ 11 መስከረም 2020 ጠቕሊሎም ካብታ ሃገር ከም ዝወጽኡ ገሊጹ'ዩ። በዚ ምኽንያት እቶም ንሰራዊት ኣመሪካ ዝተሓጋገዙ ዝነበሩ ዜጋታት እታ ሃገር ወርሒ ነሓሰ ቅድሚ ምውድኡ ናብ ኣመሪካ ክግዕዙ ከም ዝኾኑ ክግለጽ እንከሎ፡ ካብቲ 2500 ሰባት ዝሓዘ ፈላማይ ጉጅለ እቶም 200 ብዓርቢ ናብ ኣመሪካ ከም ዝግዓዙ ተሓቢሩ። 50 ሽሕ ተርጎምቲ ቋንቋ ምስ ሰራዊት ኣመሪካ ሰሪሖም'ዮም። ካብ 2008 ጀሚሩ ኣስታት 70 ሽሕ ተርጎምትን ኣባላት ስድርኦምን ናብ ኣመሪካ ከም ዝተጣየሱ ይፍለጥ። እንተኾነ ኣስታት 20 ሽሕ ተርጎምትን ኣባላት ስድርኦምን ክሳብ ሕጂ ካብታ ሃገር ዝወጽኡሉ ኣገባብ ከም ዘይሰለጦም እዩ ዝሕበር። እዞም ሰባት ምስ ሰራዊት ኣመሪካ ምስርሖም ዕጡቓት ጣሊባን ብክፉእ ዓይኒ ክርኣዩዎም ገይሩ'ዩ። ካብ 2009 ዓ.ም ጀሚሩ፡ ዓመታት ዝወስድ መስርሕ ናብ ኣመሪካ ዘእትዎም ቪዛ እናተጸበዩ እናሃለው 300 ተርጎምቲ ሞይቶም'ዮም። \"ህዝቢ ንክልቲኤን ሃገራት ንምሕጋዝ ተቓሊሱ'ዩ . . . ግን ድማ ዓይንና ዓሚትና ኣብኡ ገገዲፍናዮ ንወጽእ ኣለና፤ ኣብኡ ንክመውት ገዲፍናዮ ወጺእና\" ይብል ዚያ። ዚያ፡ ብ2002 እዩ ተርጓሚ ኮይኑ ናብ ሰራዊት ኣመሪካ ተጸንቢሩ። እዚ፡ ነቲ ኣብቲ ሽዑ እዋን ወዲ 18 ዓመት ዝነበረ መንእሰይ ናይ መጀመርታ ስርሑ'ዩ። ጣሊባን ናብ ስልጣን ክመጽእ እንከሎ፡ ዚያ እቲ ንኣዲኡ ዝኣተወላ ቃል የፈጽም ምህላው ዝተገንዘበሉ ስራሕ ከም ዝነበረ'ዩ ዝሓስብ። እዚ ንፉዕ ተመሃራይ፡ ብምኽንያት ጣሊባን ካብ ትምህርቲ ብተወሳኺ ምስ ሸውዓተ ኣሕዋቱ ዘሕልፎ ዝነበረ ጸወታ ኩዕሶን ካልእን ብቑልዕነቱ ከም ዝተመንዝዐ እዩ ዝዛረብ። ኣብታ ዝዓበየላ ከባቢ ዝነበረ ምምሕዳር'ውን፡ ኣብ ትሕቲ ጥንኩር እስላማዊ ሕጊ ኮይኑ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብዘይንሕስያ ክህረሙ፣ ስድራቤታት ብፍርሒ ኣብ ገዛ ክዕጸዋን ኣሕዋቱ ካብ ቤት ትምህርቲ ክተርፋን ክግደዱ ርእዩ። ኣብቲ ግዜ ኣብ 20ታት ዝነበረ ዓብዪ ሓው፡ ኣብቲ እዋን ተቓውሞ ጣሊባን ዝግለጸሉ ዝነበረ ላህጃ ክዛረብ ስለ ዝተሰምዐ ጥራይ ተሃሪሙ ናብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኑ። ዚያ ከም ዝብሎ፡ ብምኽንያት ማህረምቲ እግሩ ጫማ'ውን ክገብር ዘይኽእለሉ መጉዳእቲ ክበጽሖ ክገብር እንከሎ ክንቀሳቐስ'ውን ኣይኽእልን ነይሩ። ድሕሪ'ዚ ኣብ ውሽጢ መዓልታት ስድራቤቱ ኣብቲ ከባቢ ክጸንሑ ከም ዘይኽእሉ ወሲኖም። በዚ ምኽንያት ናብ ፓኪስታን ፓሻዋር ዝተባህለ ከባቢ ተሰዲዶም። \" 'ምስ ዓበኹ ኣንጻር እዞም ሰባት [ጣሊባን] ክቃለስ'የ' ክብል ንኣደይ ነጊረያ\" ይብል። ኣብ ፓሻዋር ድማ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ተማሂሩ። ክሳብ 2001 ስድራቤቱ ኣብ ፓኪስታን ጸኒሑ። \"ምስ ተመለስኩ፡ ዝተረጋግአ መንግስቲ ምምራሕ ከም ዝጀመረ ተዓዚበ፤ ተስፋ ኣለና ከኣ ኢለ\"። ድሕሪ'ዚ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ሓዳር ገይሩ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ክምህር ጀሚሩ። ድሕሪ ኣዋርሕ ሓደ መሓዝኡ እቶም ኣብታ ሃገር ኣንጻር ጣሊባን ዝዋግኡ ዘለው ኣመሪካውያን ተርጓሚ ከም ዝደልዩ ነጊሩዎ። \"ስቕ ኢሎም ኢንግሊዘኛ ዝዛረብ ሰብ ይቖጽሩ ነይሮም፤ ወተሃደራዊ ቃላት ኣይፈልጥን'ኳ እንተበልኩዎም 'ጸገም የብሉን' ኢሎምኒ\" ይብል። ዋላ'ዉን ንነዊሕ እዋን ካብ ስድራቤቱ ተፈልዩ ንህይወቱ ኣብ ዘስግእ ግንባር ኲናት ዘሕልፎ እንተኾነ፡ እቲ ስራሕ ፈትዩዎ ከም ዝሰርሐ ይዛረብ። በዓልቲ ቤቱን ስድራቤቱን ብተደጋጋሚ እዚ ስራሕ ይትረፍካ ኢሎም ለሚኖምዎ፤ ንሱ ግን ነቶም \"ቡያህ\" ኢሎም ሽም ዘጠመቑዎ ሓይልታት ኣመሪካ \"ንኣሕዋተይ\" ውፍይ'የ ብምባል ኣይተቐበሎምን። ካብዚ ብዝብገስ \"ዓይንን ኣፍን እቲ ሰራዊት ኢና ነይርና\" ይብል። ኣብ ወርሒ ሚያዚያ 2008 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ሽንጥሮ ሾክ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሽዱሽተ ሰዓታት ውግእ መሓዝኡ ተቐቲሉ። እቲ ውግእ ድሕሪ ኣብ ቬትናም ዝነበረ ኲናት እቲ ካልኣይ ዝለዓለ ንጅግንነት ዝወሃብ ሽልማት ኮኾባት ዝተረኸበሉ ግንባር'ዩ ነይሩ። ዚያ፡ ኣብቲ ውግእ መጉዳእቲ ኣጋጢሙዎ ብህይወት ክተርፍ እንከሎ፡ ኣብ እዋን ኲናት ንዘጋጥም መቑሰልቲ ወይ ሞት ብሽም ፕሬዝደንት ኣመሪካ ዝወሃብ ወተሃደራዊ ሽልማት 'Purple Heart' ተበርኪቱሉ'ዩ። ብ2008 ኣብ ትሕቲ ዝተዳለወ ሓድሽ ፕሮግራም ፍሉይ ቪዛ ስደተኛታት [ኤስኣይቪ] ናብ ኣመሪካ ንምግዓዝ መስርሕ ጀሚሩ። እዚ ፕሮግራም ብፍሉይ ኣብ ጎኒ ወተሃደራት ኣመሪካ ንዝተሓጋገዙ ኣፍጋኒስታውያንን ዒራቓውያንን ዝወሃብ ቪዛ እዩ። ዚያ፡ እዚ ቪዛ ንምርካብ ሽዱሽተ ዓመት'ዩ ወሲዱሉ። እዚ ልእም ዝበለ ዘረባ ዝዛረብ ሰብ እቲ መስርሕ \"ኣዝዩ ዘሰክፍ\" ክብል ይገልጾ። እቲ ዝወሰዶ ግዜ ንምግላጽ'ውን ዝኸብድ ምዃኑ ይዛረብ። \"ስለ ምንታይ ነዊሕ ግዜ ከም ዝወስድ ኣይፈልጥን፤ እቲ እዞም ኩሎም ሰባት [ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኣመሪካ ዝሰርሑ ዝነበሩ] ንክልቲአን ሃገራት ዘበርከቱዎ ግደ ንቤት ጽሕፈት መንግስቲ ኣመሪካ መን ብምንታይ ዓይነት ቋንቋ ከም ዝገልጸሉ'ውን ኣይፈልጥን\" ኢሉ። ዚያ፡ ብ2014 ኣብ ዞባ ናንጋርሃር ኣብ ግንባር እናሃለወ ቪዛ ምርካቡ ዝሕብር መልእኽቲ በጺሑዎ። \"ሰንቢደ\" ይብል፤ ኣፍጋኒስታን ንድሕሪት ገዲፍካ ምኻድ ከኣ ካልእ ጸገም ኮነ። ጣሊባን ግን ድሮ ክሃድኖ ጀሚሩ፤ ስድራቤቱ ብኢድ ዝተጽሓፉ ዘፈራርሑ መልእኽታት ይበጽሑዎም ነይሮም። እቲ ቪዛ ምስ ረኸበ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ዚያን ኣባላት ስድርኡን ናብ ቴኔሲ መጺኦም፤ ብርክት ዝበለ ክዳውንቲ ዝሓዘ ሻንጣን ንበረራ ዝኽፈል 6500 ዶላርን ጥራይ ነይሩዎም። ኣብ ኣመሪካ ምስ ኣተው ግን ዋላ ሓደ ዝቕበሎም ኮነ ዝሕግዞም ኣይነበረን፤ ዋላ'ውን ሰፍትኔት ዝረኽብሉ ዕድል ወይከ። \"ዋላ ሓደ ኣፍጋናዊ ኣየረኸብኩን\" ይብል። ድሓር ስድራቤቱ ሒዙ ብዙሓት ኣፍጋናውያን ይነብረሉ ናብ ዝተባህለ ቨርጂኒያ ይኸይድ። እቶም በዚ ፍሉይ ቪዛ ዝመጽኡ ሰባት ዝተሓጋገዙ ትካላት ክሳብ ዝረክብ ኣብ ሆቴል ክጸንሕ እንከሎ፡ ድሕሪ ሰሙናት ሓንቲ ብሰናይ ፍቓድ እትሰርሕ ምስ ስድርኡ ዝነብረሉ ቦታ ከም ዝረኸበትሉ ትነግሮ። \"ገዛ ዘይብሎም ሰባት ናብ ዝዓርፍሉ መጽለሊ ወሲዳትኒ፤ ምስ ርኣኹዎ 'ኣብዚ ደቀይ ክዓብዩ ኣይክእሉን' ኢለያ\" ይብል። ግን ድማ ናብ ዝኸዱዎ ቦታ ኣይነበረን። በታ ብጽቡቕ ከተንብሮ ቃል ዝኣተወትሉ ሃገር ከም ዝተጠልመ ተሰሚዑዎ። እቲ ዝኸውን ዘሎ ነገራት ንምርዳእ ዘይበቕዑ ደቁ ተደናጊሮምን ፈሪሖምን። መዓልታዊ ብዛዕባ እቶም ኣብ ኣፍጋን ዝተረፉ ስድራ ቤታትን መሓዙቶምን ይሓቱዎ፤ መዓዝ ኢና ንምለስ'ውን ይብሉዎ። ዝትሕዞን ዝጭብቶን ዝስኣነ ዚያ፡ ሓላፊኡ ናብ ዝነበረ ቴሌፎን ደዊሉ ኣበይ ኣለኻ ኢሉ ይሓቶ። ንሱ ድማ፡ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ናብ ቨርጂኒያ መጺኡ ናብ ሰሜን ካሮሊና ይወስዶም። እዚ ሰብ፡ ብኩነታት ዚያ ጉህዩ ስለ ዝነበረ \"እዚ ገዛኻ'ዩ፤ ክሳብ ዝደለኻዮ ክትነብር ትኽእል ኢኻ ኢሉኒ። ፈጺመ ኣይርስዖን\" ብምባል ንውዕለትኡ ይገልጾ። ሰሜን ካሮላይና ከምቲ ብዛዕባ ኒውዮርክ፣ ዋሽንግተንን ላስቬጋስን ዝውረን ካብ መሓዙቱ ዝሰምዖን እኳ እንተዘይኮነት፡ ደቁን ሰበይቱን ብነጻነት ክመሃሩን ክንቀሳቐሱን ብምኽኣሎም ግን ሕጉስ እዩ። ኣርባዕቲኦም ደቁ፡ ጽቡቕ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ይዛረቡ'ዮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከኣ ኩሎም ዜግነት ኣመሪካ ረኺቦም። ኣብኡ ምስ ኣተው'ውን ሓደ ቖልዓ ወሊዶም'ዮም። ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ባዕሉ ናብ ዝሰርሖ ገዛ ክኣትው እንከለው ኣብ በሪ ገዝኦም ዓብዪ ባንዴራ ኣመሪካ ተሰቒሉ ይርኣይ። ንሱ ናብ ኣመሪካ እንተመጽአ'ውን ኣብ ሃገሩ ብዛዕባ ዝተረፉ ሰባት ምሕሳቡ ኣይተረፈን። ብ2019፡ እቶም ብፍሉይ ቪዛ ናብ ኣመሪካ ዝመጽኡ ተርጎምቲ ንምሕጋዝ ሓደ ገባሪ ሰናይ ከፊቱ። በዚ ካብቶም ተርጎምቲ ዝነበሩን ኣባላት ስድርኡን ብርክት ዝበሉ ቴሌፎን ይድወለሉን የማኽርን ኣሎ። መብዛሕትኦም ብቢሮክራሲያዊ ማሕለኻታት ዝተዓናቐፉ ከም ዝኾኑ ይዛረብ። ኣመሪካ ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ካብ ኣፍጋኒስታን ከም እትወጽእ ካብ እትገልጽ ንነጀው፡ ጣሊባን ወሰንቲ ቦታታት እናተቖጻጸረ ይደፍእ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝነበሮ ምቁጽጻር 72 ቦታታት ናብ 221 ከም ዝወሰኸ ይግለጽ። ገሊኦም ከባቢታት ኣሽሓት ወተሃደራት ኣመሪካን ተርጎምቶምን ዝነብሩሎም ዝነበሩ ብምዃኖም፡ ኣብኡ ዝነብሩ ሰባት ስግኣት ማእሰርትን ቕትለትን ኣለዎም። ዚያ፡ ኣመሪካ ካብ ኣፍጋን ክወጽእ እየ ምባላ ብእወንታ ኣይርእዮን። \"ጣሊባን ሕጂ'ውን ሰላማውያን ሰባት ይቐትሉ ኣለው፤ ዝተለወጠ ነገር የለን\" ኢሉ። ነቶም ንሰራዊታ ዝተሓጋገዙ ዝነበሩ ኣፍጋናውያን ንድሕሪት ብምግዳፍ ሰራዊታ ተውጽእ ምሃላዋ፡ ኣመሪካ ዋላ'ውን ዝፈትዋ እንተኾነ ንዕኡን ካልኦት ኣብ ጎና ንዘገልገሉን ትጠልሞም ምሃላዋ ዘርኢ'ዩ ዝብል ቅርታ ኣለዎ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58053319"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን፡ ምስሓብ ሰራዊት ኣመሪካ ቕኑዕ ውሳነ ምዃኑ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣፍሊጡ","content":"ሓይልታት ጣሊባን ንካቡል ምቁጽጻሮም ስዒቡ ሓያል ነቐፌታ ዝበጽሖ ዘሎ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ንክወጽኡ ዝተበጽሐ ውሳነ ቕኑዕ ከምዝኾነ ኣትሪሩ ተዛሪቡ። ንሱ፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ምውጸኦም ንዝነቕፉ ሰባት ምላሽ እንትህብ፡ “ክንደይ ህይወት ኣመሪካውያን ክንስእን ነይሩና ?” ኢሉ ይሓትት። ባይደን፡ ከይዲ ምስሓብ ናይቶም ወተሃደራት ‘ምርዕርዕ’ ዝበለ ምንባሩ እንተኣመነ’ኳ፡ “ኣፍጋኒስታን ለቒቕካ ንምውጻእ፡ ካብዚ ሕዚ እዋን ዝሓሸ ካልእ ግዜ ክመጽእ ኣይክእልን” ብምባል ኣብ ውሳንኡ ጸኒዑ። ጣሊባን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ንካቡል እንትቆጻጸሩን ፕረዚደንት ኣሽራፍ ጋኒ ናብ ካልእ ሃገር እንትሃድምን፡ ቃልሶም ብዓወት ከምዝዛዛሙ ኣዊጆም። ናታቶም ዓወት፡ እቲ ንዒስራ ዓመት ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣመሪካን መሻርኽታን መወዳእትኡ ዘርኢ እዩ። ጣሊባን ኣብቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዝጀመርዎ ሓያል መጥቃዕቲ ሰፋሕቲ ግዝኣታት እናተቖጻጸሩ ዝመጽኡ ኾይኖም፤ እቲ ንተዓዘብቲ ዘስደመመ ግስኣጋሰኦም፡ ኣብ መወዳእታ ካቡል ብምሓዝ እዩ ተዛዚሙ። ባይደን እዚ ርእይቶ ዝሃበ፡ ጣሊባን ንካቡል ምስተቖጻጸሩ ዜጋታት ኣመሪካን ካልኦት ወጻእተኛታትን፡ ካብታ ከተማ ንክወጽኡ ኣብ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ክጸቓቐጡ ኣብ ዝተርአይሉ ጽባሕ እዩ። ገሊኦም፡ ኣብታ ነፋሪት ተንጣሊጢሎም ክኸዱን ክወድቁን ተራእዮም እዮም፤ ክልተ ድማ እታ ነፋሪት እንትብገስ ከምዝተጎድኡ ይዝርብ። ወተሃደራት ኣመሪካ፡ ካብቶም ሕጊ ጥሒሶም ብሓጹር ዘሊሎም ዝኣትዉ ዝነበሩ ዕስለ መንጎ ፡ ክልተ ዕጡቓት ከምዝቐተሉ ተጸብጺቡ። ብሓፈሻ፡ ኣብቲ ጥቓ መዕርፎ ነፈርቲ ዝተፈጥረ ዕግርግር ስዒቡ ሸውዓተ ሰባት ከምዝሞቱ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብታ ናብ ቓጣር ተምርሕ ዝነበረት ነፋሪት ኣመሪካ፡ 640 ሰባት ተጸቓቒጦም ከምዝኣተዉ ሓደ [ቢቢሲ ዘይረጋገጾ] ስእሊ የርኢ። እታ ነፋሪት ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ሰባት ከምዝሓዘት ዝተዓዘበ ኣብረሪ፡ ሰባት ንምንካይ ግዜ ካብ ምውሳድ ዝሓዘ ሒዙ ምብጋስ እዩ መሪጹ ተባሂሉ። ርግጽ፡ ሓይልታት ጣሊባን ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታትን ኣብያተ ጽሕፈት መንግስትን ወጻእተኛታትን ምሕረት ከምዝገበሩን ብዘይ ስግኣት ናብ ስረሖም ክምለሱን ኣዊጆም እዮም። ‘ዘየማትእ ውሳነ’ ጆ ባይደን፡ ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ ንፈለማ እዋን ዕላዊ መብርሒ ዝሃበሉ ኣጋጣሚ፡ “እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጥረ ክስተት ዘርእየና ነገር እንተሎ፡ እቲ ወተሃደራዊ ኢድ ኣእታውነት ኣመሪካ ምቑራጽ ልክዕ ምንባሩ ጥራይ እዩ” ኢሉ። ወሲኹ ድማ፡ “ወተሃደራት ኣፍጋኒስታን ባዕሎም ክዋግእዎ ዘይደልዩዎ ኲናት፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ክዋግኡን ክሞቱሉን ምሕሳብ ልክዕ ኣይኮነን” ኢሉ። ባይይደን፡ ሰራዊት ኣመሪካ ካብቲ ከባቢ ክሳብ ወርሒ መስከረም ወዲኦም ክወጽኡ ዝምልከት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ምውሳኑ ስዒቡ፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ዝተራእየ ‘ገልታዕታዕ’ ምኽንያት ነቐፌታት ኣብጺሕሉ እዩ። ካብ ሪፐብሊካን ሴናተር ሚች ማኮኔል፡ “ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝረአናዮ ኩናታት፡ ብኣግባቡ ዘይተትሐዘ ሓደጋ እዩ፤ ንመጻኢ ድማ ንክብርን ታሪኽን ኣመሪካ ዝትንክፍ እዩ” ኢሉ። ቅድሚ ዒስራ ዓመታት፡ ኣመሪካ ናብ ኣፍጋኒስታን ክትወርር ዝኣዘዘ ናይቲ እዋን ፕረዚደንት፡ ቡሽ ድማ፡ “እቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝተፈጥረ ኩነታት ብኸቦድ ሐዛን ተመሊኡ” ከምዝረእዮ ተዛሩቡ። ባይደን ግን፡ ዋላ ኣብቲ ፕረዚደንት ኦባማ ብዙሓት ተወሰኽቲ ወተሃደራት ዝለኣኸሉ እዋን፡ ምክትል ፕረዚደንት ኾይኑ፡ ነቲ ውሳነ ከምዝተቓወመ እዩ ዝገልጽ። ከምኡ ድማ፡ ብፕረዚደንት ትራምፕ ካብታ ሃገር ጠቕሊልካ ንምውጻእ ምስ ጣሊባን ዝተገብረ ስምምዕ ውርሻ ከምዝነበሮ ይዛረብ። ንሱ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ራብዓይ ፕረዚደንት ኣመሪካ እንትኸውን፡ “እዚ ጸገም ናብ ሓምሻይ ፕረዚደንት ክሓልፍ ኣይደለኹዎን፤ ሓላፍነት ዝተመልኦ ውሳነ እየ ወሲነ” ኢሉ። “ኣብ ኣፍጋኒስታን ንንእሽቶ እዋን ምጽናሕ ዓቢይ ለውጢ ከምጽእ እዩ ኢለ ንህዝቢ ኣመሪካ ከጋግዮ ኣይደልን” እውን ኢሉ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግና፡ ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ክመርሕዎ እዮም ዝብል ዘይሕሰብ እዩ ኢሉ ምንባሩ ጸብጻባት ይሕብሩ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58247860"} {"headline":"ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ምቁጽጻሩ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንዝንቀሳቐሱ እስላማዊ ጉጅለታት ዘሕልፎ መልእኽቲ","content":"ኣፍጋኒስታን ኣብ ኢድ ጣሊባን ኣብ ዝወደቀትሉ ኣብ ዝተፈላላያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዓስኪሮም ስርሒታት ዘካይዱ እስላማውያን ጉጅለታት ንዓወት ጣሊባን ቀልጢፎም'ዮም ጸንቢሎሞ። ምስ ኣብ ሶማል ዝንቀሳቐሱ ኣልሸባብ ምትሕሓዝ ዘለዋ ማሕበራዊት ሚድያ፡ ዓወት ጣሊባን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ብምቅላሕ \"ኣላህ ልዑሉን ኩሉ ዝክኣሎን'ዩ\" ዝብል ጽሑፍ ኣንቢሩ። ብኻልእ ሸነኽ ምስ ላዕለዋይ ሓላፊ ኣልቃዒዳ ጥቡቕ ርክብ ዘለዎ ጃማር ኑሰራት ኣለክ፡ እስላም ዋለ ሙስሊምን ዝተብሃለ እስላማዊ ጉጅል ዝኾነ ኢያድ ኣግ ግሃሊ ድሕሪ 2019 ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ንጣሊባን እንኳዕ ሓጎሰኩም ንምባል ጽሒፉ። ኢያድ ኣግ ግሃሊ \"ንዕወት ኣለና\" ድሕሪ ምባል ንምውጻእ ግዳማውያን ሓይልታት ካብ ኣፍጋኒስታንን ፈረንሳ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዘለዉ ሰራዊታ ከተጉድል ዘሕለፈቶ ውሳነን ብምዝማድ፡ ላዕለዋይ ኢድ ይሕዙ ምህላዎም ገሊጹ። እቶም ንዓወት ጣሊባን ከምዓወቶም ገይሮም ዝጽንብልዎ ዘለዉ ግን እቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዎ እስላማውያን ዑጡቓት ጥራይ ኣይኮኑን። ካብ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ ሶማል ክሳብ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ናይጀርያ ኣብ መራኸቢ ሚድያታት ብዙሓት ዓንቀጻት ተጻሒፉ። ኣብ ኣፍሪቃ ብናይ ግዳም ሓይልታት እናተደገፋ ኣንጻር እስላማውያን ዑጡቃት ቃልሲ ዘካይድ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዓወት ጣሊባን ከብደን እንተተሓቖነ እምበኣር ዘገርም ኣይኮነን። ማሊ ካብ 2012 ጀሚራ ኣንጻር እስላማውያን ዑጡቃት ቃልሲ እተካይድ ዘላ ዓባይ ኣፍሪቃዊት ሃገር እያ። ኣብ ጎና ኸኣ ሰራዊት ፈረንሳን ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓቐብቲ ሰላምን ተሰሊፎም ይርከቡ። እንተኾነ ብዙሓት ማላውያን ሰራዊት እታ ቀደም ገዛኢቶም ዝነበረት ፈረንሳ ኣብ ማሊ ክህልዉ ሕጉሳት ኣይኮኑን ገለ ፈረንሳውያን'ውን ብተመሳሳሊ ሰራዊት ፈረንሳ ኣብ ማሊ ከይዱ መስዋእቲ ክኸውን ዊንተኦም ኣይኮነን። ፈረንሳ ኣብ ወርሒ ሰነ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ማሊ ካብ ዘለዉ ሰራዊታ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ጅሚራ ናብ 2500 ክሳብ 3000 ከተጉድሎ ምዃና ወሲና። ብወገን ሰራዊት ማሊ ግን ብጽቡቕ ስለዘይተዓለሙን ዘመናዊ ብረት ስለዘይዓጠቁን ኣንጻር እስላማዊ ጉጅልታት ኣብ ዝገብርዎ ቃልሲ ጸገም ክፈጥረሎም ምዃኑ'ዮም ዝገልጹ። ዋና ኣሰናዳኢ ኣብ ማሊ እትሕተም ጋዜጣ ሊ ፓስ፡ ቦራይማ ጉይኖ \"ብዙሓት ሰባት እቲ ኹነታት ልክዕ ከምዚ ናይ ኣፍጋኒስታን ከይቅየር ፍርሒ ኣለዎም፤ ምኽንያቱ እቲ ኹነታት ተመሳሳሊ'ዩ\" ይብል። ብምስዓብ \"ህላወ እዞም ናይ ወጻኢ ሰራዊት ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ፡ ጽባሕ ካብዛ ሃገር እንተወጺኦም እቲ ኩነታት ኣዝዩ ሓደገኛ ክኸውን ይክእል እዩ\" ይብል። ብምቅጻል መራሕቲ እታ ሃገር ዓቕሚ ሰራዊት ማሊ ኣብ ምሕያል ክሰርሑ ከምዘለዎም ቦራይማ ጉይኖ ይጠቅስ። ኣብ ሶማልያ'ውን ተመሳሳሊ ሻቕሎት እዩ ዘሎ። ምስ ኣልቃዒዳ ጥቡቕ ርክብ ዘለዎም ኣልሸባብ ካብ መፋርቕ 2000 ጀሚሮም ኣብታ ሃገር ብርቱዕ ስርሒታት ክካይዱ ምስ ጀመሩ እታ ሃገር ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝኸፈአ እያ ኣምሪሓ። እቲ ብግዳማውያን ሓይልታት ዝድገፍ መንግስቲ ሶማልያ ካብ ከተማታት ወጺኡ ኣብ ዝበዝሐ ገጠራት እታ ሃገር ህላዌኡ ከረጋግጽ ኣጊምዎ እዩ ዝርከብ። እቲ ዕላም ናይቶም ኣብ ሶማልያ ዝርከቡ ናይ ግዳም ሓይልታት ነቲ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ኣልሸባብ ካብ ስሩ ብምምሓው መንግስቲ መንግስታዊ ጽላታት ንኽሃንጽ ዕድል ንምሃብ እዩ ነይሩ። እንተኾነ ልክዕ ከምቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርአ ዝነበረ፡ ኣብ ሶማልያ'ውን ስዕሩር ብልሽውና ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ። ኣብ ሶማልያ እቲ ቃል ዝተኣተወሉ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣብ ግዚኡ ስለዘይተኻየደ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ሰራዊት እታ ሃገር ንሓድሕዶም ኣብ ምትክኳስ ብጺሖም ነይሮም እዮም። ኢልሃም ጋሺር ኣብቲ ኣብ ሶማል ዝርከብ ብኣፍሪቃ ሕብረትን ብሕቡራት ሃገራትን ዝምራሕ ሰራዊት ኣማኻሪት እዩ። ንሳ እቶም ግዳማውያን ሓይልታት ኣብ ክንዲ ድልዱል መንግስቲ ሶማል ኣብ ምህናጽ ዝተሓባበሩ ኣብ ምጥፋእ ኣልሸባብ ጥራይ ኣቶኵሮም ይሰርሑ ምህላዎም እያ ትገልጽ። ብመሰረት እቲ ኣቀዲሙ ዝወጽአ መደባት፡ መንግስቲ ሶማል ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ኩሉ እቲ መሓውር ጸጥታ እታ ሃገር ካብቶም ናይ ግዳም ሓይልታት ተረኪቡ ባዕሉ ከካይዶ እዩ ነይሩ፡ እንተኾነ ኣብ ባይታ ናብዚ ዘብጽሕ ትሕተ ቅርጽን ምስግጋር ተመክሮን ከምዘይተገበረ እያ ኢልሃም ጋሽር ትሕብር። ላዕለወይቲ ሓላፊት ቲንክ ታንክ ሂራ ዝተባሃላ ናይ ሶማል ክንፊ ጸጥታ፡ ሳሚራ ጋይድ፡ ሰራዊት ናይ ሶማል ትሕቲ ሰራዊት ናይ ኣፍጋኒስታን ምኳኖምን ንዘገጥሞም ተጻብኦታት ናይ ምምካት ዓቕሞም ትሑት ምዃኑን እያ ትገልጽ። \"ናይ ሶማልያ ኣካላት ጸጥታ ምስቲ ናይ ኣፍጋኒስታን ኣካላት ጸጥታ ዝወሃቦም ሓገዛት ብምንጽጻር 0.005 ሚኢታዊት'ውን ኣይተውሃቦምን\" ትብል። ብምስዓብ \"ንኣካላት ጸጥታ ሶማልያ ንምህናጽን ንምድልዳልን ዝተገበረ ነገር የለን፡ ሶማልያ ኣጽዋር ከይትዕድግ እገዳ ተነቢርዋ ኣሎ፡ ስለዚ ከምቲ ሰራዊት ናይ ኣፍጋኒስታን ዝነበሮ ዕጥቂ ክንሽምት'ውን ኣይክኣልናን\" ትውስኽ። ኣውሮጳዊ ሕብረት ንሶማልየ ዝገብሮ ዝነበረ ሓገዛት ከቋርጾ ጀሚሪ ኣሎ፡ መንግስቲ ሶማልያ ኸኣ ገዛእ ርእሱ ንኸዳሉ እቲ ግዜ ይኣኽሎን ይሕንበቦን'ዩ ዘሎ። ልክዕ ከም ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ኣብተን እስላማውያን ዕጡቃት ተዋፊሮሙለን ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ትምህርቲን ሕክምናን ዝኣመሰለ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ከምዝርከብን፡ ህዝቢ እተን ሃገራት ንድኽነት ዝተቃልዐ ምዃኑን እዩ ዝግለጽ። እዚ ጸገማት እዚ ኣብ ከም ሞዛምቢክ ዞባ ጋቦ ዴልጋዶ እቶም እስላማውያን ዕጡቓት ንመንእሰያት ክኸትቡን ህዝባዊ ደገፍ ንኽረኽቡን ርሒብ ዕድል ፈጢርሎም'ዩ። ኣብ ገለ ገለ ከባቢታት'ውን እቶም እስላማውያን ዕጡቓት ልዕሊ ማእከላይ መንግስቲ ንህዝቢ መሰረታዊ ቀረባት ስለዘቕርብሉ ክዕሊ መንግስቲ ሰዓብቲ ክረኽቡ ኣኽኢልዎም እዩ። ምኩር ኩነታት ጸጥታን ርግኣትን ፉላን ኑስረላህ ግን እቶም እስለማውያን ዕጡቓት ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ሓንቲ ሃገር እንተተቆጻጺሮም ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝገልጽ። \"ሰብ ምስ ናይ ኣፍጋኒስታን እናኣመሳሰለ ክርእዮ ይፍትን እዩ፡ ምምስሳል ክህልዎ ይኽእል እዩ እቲ መሰረታዊ ነገሩ ግን በበይኑ እዩ\" ይብል። እቶም ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ እስላማውያን ጉጅለታት ከም ጣሊባን ውህደትን ውዳበን ዘለዎም ኣይኮኑን ዝብል ፍላን ኑስርላህ \"ህላወኦም ኣብ ድኽመት እተን ሃገራት እዩ ዝምርኮስ፤ እንተኾነ ንሶም ንባዕሎም ልዕሊ እተን ድኹማት ዝብሃላ ሃገራት ድኹማት'ዮም\" ይብል። ክቕሰም ዘለዎ ትምህርቲ እቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘሎ ኹነታት ንኣፍሪቃ ክሳብ ክንደይ ክጸልዋ እኽእል ንምግማቱ ኣጸጋምን ገና ግዙኡ ዘይኣኸለን'ዩ። እንተኾነ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣወጻጽኦኦም ኮነ ህላውነቶም ኣብ ከመይ ክምርኮስ ከምዘለዎ ትምህርቲ ዝህብ እዩ። ኮምፎርት ኢሮ ካብ ዓለምለኻዊ ክራእሲስ ግሬፕ ኮይና፡ \"ካብዚ ህሉው ክነታት ክቅሰም ዝግበኦ ትምህርቲ ኣሎ\" ትብል። ንሳ፡ \"ምስ ብልሽውና ዝተተሓሐዙ ሱር ዝሰደዱ ጸገማት ኣለዉ፤ ኣብ ናይ ወጺኢ ሓይልታት ምምርኳስ'ውን ብተመሳሳሊ፡ ስለዚ እቶም ናይ ወጻኢ ሓይልታት ሓንቲ ረፋድ ምስ ዝወጽኡ ወጻኢታቶምን ዕደኦም ክኸፍሉ ዘይክእሉ ስማዊ ሃገርን መንግስትን ሒዝካ ኢኻ ትተርፍ\" ትብል።.","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58290714"} {"headline":"ጣሊባን፡ ፈላሞት ጉጅለ ኣፍጋናውያን ተርጎምቲ ናብ ኣመሪካ ኣትዮም","content":"ጣሊባን ቦታታት ክቆጻጸር ድሕሪ ምጅማሩ ኣስታት 200 ኣፍጋኒስታናውያን ተርጎምትን ኣባላት ስድርኦምን ናብ ኣመሪካ ተወሲዶም። እዚኦም ፈላሞት ካብቶም 2500 መንግስቲ ኣመሪካ ናብ ሃገሩ ክወስዶም ዝተጸንዑ ሰባት'ዮም። እቶም ኣብ ኣመሪካ ዝጣየሱ ዘለው ተርጎምቲ፡ ኣመሪካ ምስ ጣሊባን ኣብ እተካይዶ ዝነበረት ን20 ዓመታት ዝጸንሐ ኲናት ምስ ኣመሪካ ሓቢሮም ዝሰርሑ ሰባት ኮይኖም፡ ብዓርቢ ንጉሆ ዝኣተው ሰባት ኣብ ቨርጂኒያ ናብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ፎርት ሊ ኣትዮም። ንሓደ ሰሙን ኣብቲ መዓስከር ከም ዝጸንሑ ድማ ተፈሊጡ ኣሎ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰብ ኣመሪካ እቶም ምጥያስ ዘድልዮም ኣፍጋናውያን ጉድኣት ከይበጽሖም ክወጽኡ ንምግባር ክሰርሑ ከም ዝጸንሑ ብምሕባር \"ወሳንን ፈላማይን\" እዩ ክብል ገሊጹዎ። እቶም ብፍሉይ ቪሳ ስደተኛታት [ኤስኣይቪ] ዝሓዙ ኣፍጋናውያን፡ ኣብ ኣመሪካ ናይ ምጽናሕ መሰል ዘለዎም ኮይኑ እንተደልዮም ግን ክሓልፉዎ ዝግባእ መስርሓት መስወድኡ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክሰግሩ ክፍቀዶም'ዩ። ብሓሙስ ሰኔት ኣመሪካ እዞም ሰባት ንምግዓዝ ከምኡ'ውን ናይ ገዛን መጓዓዝያን ወጻኢታቶም ንምሽፋን ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣጽዲቑ። ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝጸንሐ ሰራዊታ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ከምእተውጽእ ምስ ገለጸ፡ ዕጡቓት ጣሊባን ወሰነቲ ቦታታት ክቆጻጸሩ ጀሚሮም'ዮም። እዚ ነቶም ኣብ ጎኒ ወተሃደራት ኣመሪካ ኮይኖም ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰባት ኣዝዩ ኣስጋኢ ኩነታት ክፈጥር ጀሚሩ። ካብ 2008 ጀሚሩ ኣስታት 70 ሽሕ ኣፍጋናውያን ናብ ኣመሪካ ክጣየሱ ክኢሎም'ዮም። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙንን ኣብዚ ሕጂ እዋንን ብዝሒ ሓተትቲ ቪዛ ኣመሪካ ልዕሊ 20 ሽሕ ከም ዝበጽሐ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ገሊጹ ነይሩ። ክሳብ ሕጂ ግን እቶም ፍርቂ ጥራይ'ዮም ፈላማይ መስርሕ ምስግጋር ክውድኡ ክኢሎም ዘለው። 'ኖ ዋን ሌፍት' ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል ከም ዝብሎ፡ ምስ ኣመሪካ ብምስርሖም ጥራይ ኣስታት 300 ኣፍጋናውያን ወይ'ውን ስድርኦም ተቐቲሎም'ዮም ይብል። ጣሊባን፡ ኣመሪካ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ማእከል ዓለምለኻዊ ንግዲ ድሕሪ ምጥቕዑ፡ ኣብ 2001 ንኣፍጋኒስታን ወሪራ ካብ ስልጣን ከም ዝተኣለየቶም ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ከኣ ኣብ ሞንጎ እቲ ዕጡቕ ጉጅለን ሓይልታት መንግስትን ከበድቲ ውግኣት ክካየዱ ተራእዮም።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58025169"} {"headline":"ዕጡቓት ጣሊባን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ናይ ከተማ ውግእ ቀጺሉ","content":"ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ጣሊባንን፡ ኣብ ሓንቲ ዓባይ ከተማ ከቢድ ውግእ ይካየድ ኣሎ፤ እታ ከተማ ድማ ኣብ ኢድ ጣሊባን ዝኣተወት ፈላሚት ዋና ከተማ ሓደ ግዝኣት ከይትኸውን ተሰጊኡ ኣሎ፡፡ ዋላ‘ኳ ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካን ኣፍጋኒስታንን ቀጻሊ ደብዳብ የካይዳ እንተሃለዋ፡ ዕጡቓት ጣሊባን ግና ኣብ ርእሰ ከተማ ግዝኣት ሄልማንድ ዝኾነት ላሽካር ጋህ ከቢድ መጥቃዕቲ የካይዱ ኣለዉ፡፡ እቶም ዕጡቓት ንሓደ ጣብያ ቴሌቪዥን ከምዝተቖጻጸሩ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ካብ ገጠራት ዝሃደሙ ሰላማውያን ሰባት ኣብ ህንጻታት ተዓቒቦም ኣለዉ፡፡ ካብታ ከተማ ንቢቢሲ ቃሉ ዝሃበ ሓደ ዶክተር ‘‘ ብኹሉ ኣንፈት ኲናት ኣሎ’’ ኢሉ፡፡ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ነቶም ዕጡቓት ንምውጋእ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሓይልታት ኣዋፊሩ ኣሎ። ወታሃደራት ኣመሪካ ድሕሪ 20 ዓመት ካብ ኣፍጋኒስታን ምውጸኦም ስዒቡ፡ ዕጡቓት ጣሊባን ብፍጥነት ንብዙሓት ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ምቁጽጻር ይርከቡ፡፡ ቀንዲ መዋፈሪ ማእከል ሓይልታት ኣመሪካን ብሪጣንያን ዝነበረት ግዝኣት ሄልማድ ኣብ ቁጽጽር እቶም ዕጡቓት እንተወዲቓ፡ ንመንግስቲ ኣፍጋኒስታን ዓብዪ ኪሳራ እዩ፡፡ ከተማ ላሽካር ጋህ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ጣሊባን እንተኣትያ ድማ ድሕሪ 2016 ኣብ ቁጽጽር እቶም ዕጡቓት ዝኣተወት ፈላመይቲ ርእሰ ከተማ ሓደ ግዝኣት ክትከውን እያ፡፡ እታ ከተማ ካብተን መጥቃዕቲ ተኸፊቱወን ዘሎ ርእሰ ከተማታት ሰለስተ ግዝኣታት ሓንቲ እያ፡፡ ግስጋሰ እቶም ዕጡቓት ኣብ ዓለም ለኻዊ ጸጥታ ‘‘ዕንወት’’ ከውርድ ከምዝኽእል ድማ ሓደ ወታሃደራዊ ኣዛዚ ሓይልታት ኣፍጋኒስታን ገሊጹ፡፡ ኣብ ግዝኣት ሄልማድ ዝርከባ 11 ጣብያታት ሬድዮን ቴሌቪዝንን ብምኽንያት ‘‘መጥቃዕትን ምፍርራሕን’’ ጣሊባን ኣገልግሎት ደው ከምዘበላ፡ ሚኒስትሪ ሓበሬታ ኣፍጋኒስታን ትማሊ ሰኑይ ገሊጹ፡፡ ዕቓት ጣሊባን ካልኣይቲ ዓባይ ከተማ ኣፍጋኒስታን፡ ካንዳሃር፡ ንምቁጽጻር ዝጀመርዎ መጥቃዕቲ እውን ቀጺሎም ኣለዉ፡፡ ነታ ከተማ እንተሒዞምዋ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ንምቁጽጻር ዘኽእሎም ወሳናይ ዓወት ክኸውን እዩ፡፡ ኣብታ በቶም ጡዕቓት ተኸቢባ ዘላ ምዕራባዊት ከተማ ሄራት እውን፡ ኣብ መንጎ ኮማንዶታት መንግስትን ዕጡቓትን ከቢድ ውግእ ይካየድ ኣሎ፡፡ ኣብቲ ውግእ ሓይልታት መንግስቲ ተታሒዙ ንዝነበረ ገለ ካባቢ ዘምለሱ ኮይኖም፡ በዚ ዝተሓጎሱ ነበርቲ ድጋፎም እንትገልጹ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝተዘርግሑ ቪድዮታት ተራእዮም፡፡ ሓይልታት መንግስቲ ግስጋሰ ጣሊባን ንምዕጋት ኣብ ዝቃለሱሉ ዘለዉ ኣብዚ እዋን፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣሽራፍ ጋኒ፡ ምኽንያት ምውሳኽ እቲ ኲናት፡ ሃንደበታዊ ምስሓብ ወታሃደራት ኣመሪካ እዩ ክብል ወቒሱ፡፡ ንሱ ኣብ ፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ‘‘ ነቲ ሐዚ ዘሎ ኩነታትና ምኽንያቱ፡ እቲ ውሳነ ሃንደበታዊ ምዃኑ እዩ’’ ኢሉ፡፡ ምስሓብ እቲ ሰራዊት ‘‘ሳዕቤን’’ ከምዘለዎ ንመንግስቲ ኣመሪካ ገሊጹ ምንባሩ እውን ፕረዚደንት ጋኒ ተዛሪቡ፡፡ ኣመሪካ ዋላ‘ኳ ዳርጋ ኩሎም ሰራዊታ ካብ ኣፍጋኒስታን እንተውጸአት፡ ንመንግስቲ ብምሕጋዝ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት መጥቃዕቲ ኣየር ተካይድ እያ ዘላ፡፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ጎንጺ እናወሰኸ ብምኻዱ፡ ምስ ወታሃደራት ኣመሪካ ዝሰርሑ ዝነበሩ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ተወሰኽቲ ኣፍጋናውያን ናብ ኣመሪካ ከምዝግዕዙ ገሊጹ፡፡ ዕጡቓት ጣሊባን ኣብ ዝቖጻጸሩዋ ኣብ ጥቓ ፓኪስታን እትርከብ ከተማ ‘‘ሰላማውያን ብምጭፍጫፍ’’ ገበን ኲናት ፈጺሞም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣመሪካን ብሪጣንያን ይኸሳ፡፡ ኣነቶኒ ብሊንከን እውን ‘‘ኣዝዮም ዝርብሹን ተቐባልነት ዘይብሎምን ጸብጻባት’’ እቶም ብጣሊባን ተፈጺሞም ዝተባህሉ ግፍዒታት ከምዝበጸሖም ገሊጹ፡፡ ካብ ከተማ ስፒን ቦልዳክ ዝወጹ ቪድዮታት፡ ሕነ ናይ ምፍዳይ ቅትለታት ከምዝተፈጸሙ ዘመላኽቱ እዮም፡፡ ጣሊባን ግና ነቶም ክሲታት ነጺግም ኣሎ፡፡","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58068387"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካቡል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦንባ ልዕሊ 60 ህጻናት ተቐቲሎም","content":"ስድራቤታት ኣፍጋኒስታን ብቐዳም ኣብ ጥቓ ሓደ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦንባ ዝተቐትሉ ህጻናት ደቆም ክቐብሩ ቐንዮም። እቲ መጥቃዕቲ ተመሃሮ ካብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝወጽኡሉ ሰዓት ዝተፈጸመ ብምንባሩ፡ መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ዝኾና ልዕሊ 60 ህጻናት ተመሃሮ ተቐቲሎም። እዚ መጥቃዕቲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ እስላማውያን ሚሊሻታት ሱኒ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፍጽምሉ ከባቢ ዝበጽሐ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ናይ ሕጂ ግን ሓላፍነት ዝወሰደሉ ኣካል የለን። መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ንዕጡቓት ጣሊባን ተሓተትቲ ክገብር እንከሎ፡ ጣሊባን ግን ነጺጉዎ። ዕላማ እቲ ብቐዳም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እንታይ ምዃኑ'ውን ግልጺ ኣይኮነን። ኣመሪካ፡ 11 መስከረም 2021 ሰራዊታ ካብ ኣፍጋኒስታን ከም እተውጽእ ምግላጻ ይዝከር። እቲ ሕጂ መጥቃዕቲ ተፈጺምሉ ዘሎ ምዕራባዊ ካቡል ማሕበረሰብ ሃዛራ ዝነብርሉ ኮይኑ፡ መብዛሕትኦም ሞንጎላውያንን ካብ ማእከላይ ኤዥያ ዝመጽኡን'ዮም። ሺዓ እስላም ከም ዝኽተሉ ከኣ ይንገር። ቅድሚ ሓደ ዓመት'ውን፡ ኣብ ሆስፒታል ክፍሊ መዋልዳን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 24 ኣዴታት፣ ህጻናትን ሕንጠያትን ተቐቲሎም'ዮም። ብ2012 ብዕጡቓት ጣሊባን ኣብ ርእሳ ዝተሃረመት ተሸላሚት ኖቤል ማላላ ዮሱፍ፡ \"ልበይ ምስ ስድራ ግዳያት እቶም ተመሃሮ'ዩ\" ክትብል በቲ መጥቃዕቲ ዝተሰምዓ ሓዘን ኣብ ትዊተር ጽሒፋ። እቲ ናይ መጀመርታ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣብ \"መቓብር ሓርበኛታት\" ክፍጸም እንከሎ፡ ግዳያት ኣብ ሓያል ስንባደ ከም ዝነበሩ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ። ሓደ ኤኤፍፒ ዘዘራረቦ ሓዘንተኛ፡ \"ናብቲ መጥቃዕቲ ዘጋጠመሉ ቦታ ክበጽሕ እንከለኹ፡ ንርእሰይ ኣብ ማእከይ ኣስክሬናት'የ ረኺበዮ። ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ነይረን። ሓደ ኣብ ልዕሊ እታ ሓንቲ ተጸፋጺፈን ነይረን\" ብምባል ተዛሪቡ። እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብቲ ከባቢ ክልተ ተቐጻጸልቲ ነገራት ብምትካል ብመኪና ቦንባ ተፈጺሙ ክኸውን ይኽእል'ዩ ተባሂሉ ይእመን። ዛህራ ዝተባህለት ውጻእ መዓት እቲ ሓደጋ ከጋጥም እንከሎ ካብ ቤት ትምህርቲ ትወጽእ ምንባራ ተዛሪባ። \"መማህርተይ ሞይቶም። ድሕሪ ዝተወሰኑ ደቓይቕ ካልእ ነትጒ ነይሩ፤ ቐጺሉ'ውን ካልእ ተሰሚዑ። ኩሉ የእዊ . . . ደም ከኣ ፎቖድኡ ክውሕዝ ጀሚሩ\" ኢላ። በቲ መጥቃዕቲ ልዕሊ 150 ሰባት ቖሲሎም። እታ ከተማ በዓል ዒድ ኣልፈጥር ንምኽባር ትዳሎ ከም ዝነበረ ጸብጻባት ካቡል ይሕብሩ። ጣሊባን'ውን ብሰንበት፡ መፈጸምታ ቅዱስ ወርሒ ረመዳን ምኽንያት ብምግባር ንሰለስተ መዓልቲ ተኹሲ ደው ከም ዘብል ኣፍሊጡ ነይሩ። ይኹን'ምበር፡ ኣመሪካ ሰራዊታ ካብ ኣፍጋኒስታን ከም እተውጽእ ካብ እትገልጽ ንነጀው ዝፍጸሙ መጥቃዕታት ወሲኾም ይርኣዩ። ብቐዳም ምምሕዳር ኣመሪካ ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክኹንኖ እንከሎ፡ \"ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ደው ክብል ንጽውዕ\" ኢሉ። ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኣፍጋኒስታን ብወገኑ፡ \"ንደቂ ኣንስትዮ ተመሃሮ ቐዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዒላማ ምግባር፡ ኣብ መጻኢት ኣፍጋኒስታን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ገይርካ'ዩ ዝቑጸር\" ክብል ብትዊተር ገሊጹ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57053412"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን፡ ህይወት ኣፍጋናውያን ብዓይኒ ኢትዮጵያዊ","content":"ኣብ 1990ታት ንኣፍጋኒስታን ዘመሓድር ዝነበረ ጣሊባን ብ2001 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ካብ ስልጣኑ ምስ ተኣለየ፡ ን20 ዓመታት ኣንጻር መንግስቲ፣ ሰራዊት ኣመሪካን ኔቶን ክዋጋእ ጸኒሑ። ካብ ቀረባ ሰሙናት ንነጀው ጽዑቕ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ንዝበዝሕ ግዝኣታት ኣፍጋኒስታን እናተቖጸጸረ ዝመጽአ ጣሊባን ግን፡ መወዳእትኡ ንካቡል ብምቁጽጻር መንግስቲ ኣፍሪሱ። ኣብ ውሽጥን ደገን ዝነብሩ ብሸቐልቐልን ስንባደን ዝተውሓጡ ኣፍጋናውያን ከኣ፡ ዳግም ህይወት ኣብ ትሕቲ ጣሊባን ሓደ ኢሎም ምፍቃድ ካብ ዝጅምሩ ሰሙን ገይሮም ኣለዉ። ኣሽሓት ስግኣት ዝሓደሮም ኣፍጋናውያን'ውን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ኣብ ዝነበረት ወተሃደራዊት ነፋሪት እናተንጠልጠሉ፣ ብሓጹር እቲ መገዲ ኣየር እናዘለሉ ካብታ ሃገር ዝወጽኡሉ ዕድል ከናድዩ ተራእዮም። እዚ ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብታ ሃገር ዝጸንሐ ግን ድማ ሽሙ ክንሮቑሖ ፍቓደኛ ዘይኮነ ኢትዮጵያ ከኣ፡ ኣብ ድሮ ጣሊባን ንካቡል ዝተቖጻጸረላ መዓልቲ ካብታ ሃገር ወጺኡ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ። ንምዃኑ፡ እታ ሃገር እንታይ ትመስል? ኣብ ምንታይ ኩነታት ጸኒሓትካ? ዝብልን ካልእ ትዕዝብታቱን ከካፍለና ተወኪስናዮ። ቢቢሲ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ህይወት እንታይ ይመስል ብዝብል እንተጀመርናኸ? ብቐንዱ ምስ ኩሉ ሕብረተሰብ እታ ሃገር ሕውስውስ ዝበለ ዓይነት ህይወት ኣይነበረንን። ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ካብ ዝረኽቦም ዝተፈላለዩ ደቂ እታ ዓዲ ግን ብዙሕ ነገር ፈሊጠ'የ። ካብኦም ዝፈልጦ ህይወት ኣፍጋኒስታናውያን ኣሎ። እዚ ክኣ ብኽልተ መልክዑ ክገልጾ ይፈቱ። 'ዘይሰልጠኑ' ኢልና ክንገልጾም ዝኽእሉ ክፋል ሕብረተሰብ ኣለው። እዚኦም መብዛሕትኡ ግዜ ንወጻእተኛታት ብጎኒ ዓይኖም'ዮም ዝርእዩዎ። ብኣንጻሩ ምስ ኩሉ ሕውስውስ ኢሎም ዝነብሩ ኣለውዎም። ብፍላይ እቲ መንእሰይ ፈታዊ ጸወታ ካብ ምዃኑ ብዝነቅል ድግሳት ይፈቱ'ዩ። እንተኾነ እዚ ብወግዒ ክገብሩዎ ስለ ዘይፍቀዶም ተሓቢኦም'ዮም ዝዛነዩ። ኣብታ ሃገር ኣልኮላዊ መስተ ምሻጥ ኩልኩል ስለ ዝኾነ ኣብ ገዝኦም ተሓቢኦም ይሰትዩ። እቲ ህይወት 'ኖርማል' እዩ፤ ከምቲ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ምፍንጃር ነትጒ ጽልምትምት ዝብል ህይወት የለን። ስሩዕ ንጥፈታት ዕዳጋ፣ ምቅስቓስ ሰብን ሓያል ትራፈክን ኣሎ። ኣብታ ከተማ [ካቡል] ድማ ብዙሕ ናይ መርዓ ኣዳራሻት ኣሎ። እቲ ዝገርም ንመርዓ ዓበይቲ ኣዳራሻት'ዮም ዝካረዩ። ቢቢሲ፡ እቲ ምጭንናቕ ትራፊክ ካብ ምንታይ ዝነቐለ'ዩ? መብዛሕትኡ ሰብ መኪና ይውንን'ዩ ማለት ድዩ? መካይን ብዙሓት ኮይነን ኣይኮነን፤ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ተፍትሽ ስለ ዘሎን ብዙሕ ዝተማልአ ትሕተ ቕርጺ መገዲ ዘይምህላዩን ዝወሰለዶ ይመስለኒ። መጀመርታ ናብታ ሃገር ክኸይድ ከለኹ ትጽቢተይ ካልእ'ዩ ነይሩ። እቲ ክውንነት ድማ ተፈልዩኒ። ኣፍጋኒስታን ክብሃል ከሎ ስቕ ኢሎም ኣብ መገዲ ክታኾሱ ዝውዕሉ'ዩ ዝመስለኒ ነይሩ። ግን ኣብ ዝኾነ ቦታ ነትጒ ምስ ኣጋጠመ ግዳይ ዝኸውን ሰብ ስለ ዘሎ እቲ ምጭንናቓት ትርእዮ ኢኻ። መሊሱ ግን እቲ ሰብ ቐልጢፉ ናብ ልሙድ ህይወቱ'ዩ ዝኣቱ። ተላሚዱዎ ዝነብሮ ዓይነት ህይወት ኣለዎ። ቢቢሲ፡ እቲ ህዝቢ መዓልታዊ ኣገልግሎት መጓዓዝያ እንታይ ይጥቀም? ሞተር፣ ንኣሽቱ ታክሲ፣ ሚኒባስ ዓይነት መካይን ኣለዋ። ስርዓት ምዝዋር መኪና ግን ስቕ ኢልካ'ዩ፤ ዕግርግር ይበዝሖ። ቢቢሲ፡ ቋንቁኦም ንመን ይቐርብ? ሰለስተ ዓበይቲ ቋንቋታት ኣለዎም። እተን ክልተ ከም ናይ ስራሕ ቋንቋ ዘገልግላ እየን። እዚአን ፓሽቶን ዳሪን ኮይነን ብብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ዝዛረቦም ዓበይቲ ቋንቋታት'ዮም። ካልኦት ብዙሓት ቋንቋታት ዘለውዋ ሃገር ኮይና፡ ታጂክ ዝብሃል እውን ኣለዎም። ቢቢሲ፡ እዞም ህዝቢ ብምንታይ ይፍለዩ? ሓደ ሃይማኖተኛታት'ዮም። ዓዶም'ውን ይፈትው'ዮም። ኣብ ጾታዊ መዓርነት እንተመጺእና ግን፡ እቲ ንጓል ኣንስተይቲ ዝወሃብ ግምት ከምቲ ኣብ ዓድና ዘሎ'ዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ንገዛ ክትኣልን ጸብሒ ክትሰርሕን'ዮም ዝደልዩ። ወዲ ተባዕታይ ከኣ ንደገ ወፊሩ ዝምጻእ የምጽእ ዝብል ሓፈሻዊ ኣረዳድኣ ኣለዎም። መናእሰይ ካብታ ከተማ ውጽእ ኢሎም ናብ ዝርከቡ መናፈሲ ቦታታት መግብን ካልእን ሒዞም ብምኻድ ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም የሕልፉዎ። እዚኦም እቶም ዝሓሸ መነባብሮ ኣለዎም ዝብሃሉ ክፋል ሕብረሰተብ'ዮም። እቲ ታሕተዋይ ክፋል ሕብረሰብ ግን እንታይ ከም ዝገብር'ውን ኣይፍለጥን። ቢቢሲ፡ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ጣሊባን ብዝተኣሳሰር ዓብዪ ስግኣት ኣለወን። መነባብሮ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ እንታይ'ዩ ዝመስል? ድሕሪ ጣሊባን መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ ዓይነት ስራሕ ምእታው ጀሚረን'የን። ዘይመንግስታውን መንግስታውን ኣብ ዝኾኑ ቤት ዕዮታት ተቖጺረን ዝሰርሓ፣ ኣባላት ባይቶ ዝኾና ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋ። ሕዚ ዝፈርሓሉ ቀንዲ ምኽንያት ጣሊባን እዚ ኹሉ ክንገብር ኣይፈቕደልናን ብዝብል እዩ። ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዳ፣ ካብ ገዛ ክወጽኣ ስለ ዘየፍቅደለን ሕቲ ሰሪሐን ዝረኽብኦ ዝነበራ እቶት ክንስእን ኢና ዝብል ስግኣት ኣለወን። ቢቢሲ፡ መሰረታዊ ማሕበራዊ መነባብሮ እቲ ህዝቢ ኣብ ምንታይ ደረጃ ዘሎ'ዩ? ገንዘብ ኣለዎ ዝብሃል እቲ ኣብ መንግስታዊ ዘይኮና ትካላት ዝሰርሕ'ዩ። ሓሓሊፉ ካብ ፓኪስታን እናምጽኡ ዝንግዱ ነጋዶ፣ ኣባላት ባይቶ እዮም ሃፋትም ዝብሃሉ። መብዛሕትኡ ግን ድኻ'ዩ። ኣብ ሕርሻ'ውን ብዙሕ ዝነጥፉ ኣይመስለንን። መብዛሕትኡ ብናይ ወጻኢ ሓገዛት ዝናበር'ዩ። ቢቢሲ፡ ክንደይ ዝኣክል ናይ ኢትዮጵያ ማሕበረሰብ ኣሎ? ከምቲ ልሙድ መግቢ ናይ ሓበሻ መግቢ ትረኽቡ'ዶ? ኣብታ ከተማ ከምኡ ዝብሃል ነገር የለን። ኣብ ደገ እንረኽቦ መግቢ'ውን የለን። እንትርፎ ብስራሕ ዝኸድና ብዙሕ ኢትዮጵያዊ የለን። ካብ ሞንጎና ሓደ ንዕረፍቲ ናብ ኢትዮጵኣ በጺሑ ክምለስ እንከሎ ጸብሒ ደርሆ፣ እንጀራ ሒዙ ይመጽእ። ናይ ዕረፍቲ መዓልታት ክህሉ እንከሎ ከኣ ተኣኻኺብና ሽሮ ሰሪሕና እናበላዕና እናተጻወትና ነሕልፎ። ኣብ ደገ ግን ከምዚ ክትረክብ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ቢቢሲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ እንጀራን ደርሆን፣ ኣብ ናይጄሪያ መረቕ ኤጉሲ፣ ኣብ ዩክሬይን ጸብሒ ቦርሺት ኣብ ኬንያ ድማ ኡጋሊ ብዜጋታት እተን ሃገራት ኣዝዮም ዝፍተው መግቢታት'ዮም። ኣፍጋኒስታናውያን እንታይ ኣለዎም? ሩዝ'ዩ። ካብኡ ሓሊፉ ዝተፈላለየ ጣዕሚ ዘለዎ ደርሆ [ቺክን] እዮም ዝምገቡ። ቢቢሲ፡ ከም ክለብ፣ ባራት ዝበሉ ናይ መዘናግዒ ቦታታት ኣለው'ዶ? ሙዚቃ ይስማዕ'ዶ? ደረፍቲ ኣለው'ዮም። ድሕሪ ጣሊባን ናይ ሙዚቃ ስራሕቶም ከቕርቡ ዝንቀሳቐሱ ሰባት ክንርኢ ክኢልና ኢና። ባራትን ካልእን ግን ኩልኩል እዩ። ቢቢሲ፡ ንጸሊም ከመይ ይርእዩዎ? ንዓናን ንጽዓዱን ክርእዩ ከለው ኣፈላላይ ኣሎ'ዩ። ይኹን'ምበር ከምቲ ኣብ ካልእ ሃገራት ዝስትውዓል ጎነጻዊ ኣይኮነን፤ ልምዲ ኮይኑ ንጽዓዱ ኣልዕል ኣቢልካ ካብ ምርኣይ ወጻእ ናይ ምግላል ዝንባለ የብሎምን። ቢቢሲ፡ ናይ ቀረባ ጎረባብትና ዝብሉወን በዓል መን'የን? እተን ቀንዲ ፓኪስታን፣ ኢራንን ታጂክስታን'የን። ቢቢሲ፡ ኣብ ጻንሒትካ ኣብ ካቡል ዝበዝሕ ግዜ ዝስማዕ እንታይ ነይሩ? ነትጒ በብግዝኡ ኣሎ። ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ነትጒ ኣጋጢሙ ክብሃል ከሎ ከም ንቡር ክወስዶ ጀሚረ ነይረ። ምኽንያቱ ኣብ ዝኾነት ቦታ ነትጒ ኣጋጢሙ እንትብሃል ፖሊስ ኣብ ውሽጢ 30 ደቓይቕ ነቲ ኩነታት ኣጽርዮም፣ ኣህዲኦም ንምንቅስቓስ ሰብን መጓዓዝያን ድልዊ ክኸውን'ዮም ዝገብሩ። በዚ ምኽንያት ነገራት ክተዓጻጾ ኣይደልዩን። ቐልጢፉ ኩሉ ነገር ናብ ንቡር ክምለስ እዩ ዝርኣይ። ካብ ኩሉ ዘፍርሓኒ ዝነበረ ግን ብጉጅለ ዝፍጸም ውዱብ መጥቃዕቲ'ዩ። ሓደ እዋን ናይ ኣመሪካውያን ካምፕ ኣብ ዝነበረ 'ግሪን ቭሌጅ' ዝብሃል ከባቢ ኣሎ። ናብኡ ነታጒ ዝጽዓነት መኪና መጺኣ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ'ዩ። ከምኡ ዓይነት ዝወተደበ መጥቃዕታት ኣዝዩ'ዩ ዘስግእ። ኣብ ካልእ እዋን ከኣ ዓሰርተ ዝኾኑ ጣሊባን ዝሓዘት መኪና መጺኣ ሰባት ቀቲሎም ይኸዱ። ከምዚኦም ዝበሉ ክስታት ኣዝዮም የፍርሑ። ቢቢሲ፡ ዝተፈለየ ርግኣት ዝሰፍነሉ እዋን፣ ሰባት ሸርበድበድ ዘይብልሉ መዓልቲ ነይሩ'ዶ? ብሓፈሻ ኣብታ ሃገር ወቕቲ ሓልዮም'ዮም መጥቃዕታት ዝፍጸሙ። ንሳቶም 'ዊንተር ሲዝን' ዝብሉዎ ወቕቲ መጥቃዕቲ ክፍጸም ኣይርኣይን። ነትጒን መጥቃዕትን ይንኪ። ናታቶም ሓድሽ ዓመት ወርሒ ሚያዚያ ስለ ዝኾነ እዚ ወቕቲ ክውዳእ እንከሎ ድሕሪኡ'ዩ መጥቃዕቲ ዝጅመር። ይዝክር ግን ኣብ 2019 ዓ.ም ኣብ እዋን ጾም ረመዳን ጣሊባን ይኹን መንግስቲ ተኹሲ ጠጠው ኣቢልና ኢሎም። ሽዑ ገለ ኣባላት ጣሊባን ጻዕዳ ባንዴራ ሒዞም ናብታ ከተማ ኣትዮም ምስ ኣባላት ስድራቤቶም ዝተራኸብሉ ኣጋጣሚ ኣሎ። ቢቢሲ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎት ዝምልከት፡ ኣብ ካቡል ክቡር ዝብሃል ነገር እንታይ'ዩ? ኣነ ብመንጽር እቲ ዝነበረኒ መነባብሮ ክቡር ዝብሎ የለን። ብፍላይ ሃለኽቲ መግብታት ኣዝዮም ሕሱራት'ዮም። እቲ ቐረባት ካብ ጎረቤት ሃገር ፓኪስታን እናመጽአ'ውን ኣዝዩ ሕሱር'ዩ። ቢቢሲ፡ ዩኒቨርሲታት፣ ኣብያተ ትምህርቲ ኣለዎም'ዶ? እወ፤ ኣብታ ከተማ ካቡል ኣመሪካ ዩኒቨርሲቲ ዝብሃል ዓብዪ ዩኒቨርሲቲ ኣሎ፤ ኣዝዩ ጽቡቕ ዝብሃል ዩኒቨርሲቲ'ዩ። እቲ ስርዓተ ትምህርቶም'ውን ጽቡቕ'ዩ። ቢቢሲ፡ ጣሊባን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ንካቡል ክቆጻጸሩዋ'ዮም ዝብል ትጽቢታት ነይሩ'ዶ? ኣመሪካ ሰራዊታ ከውጽእ እየ ኢላ ምስ ወሰነት እቲ ሕብረሰተብ ክሰግእ ጀሚሩ። ኣመሪካ እንተወጺኣ ጣሊባን ክቆጻጸሩዎ'ዮም ዝብል ሻቕሎት ዳርጋ ኣብ ኩሉ ክሓድር ተራእዩ። ኣመሪካ ምውጻእ ምስ ጀመረት'ውን ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣቢሉ ጣሊባን መጥቃዕቲ ጀሚሮም ገለ ርሕቕ ርሕቕ ዝበላ ግዝኣታት ይቆጻጸሩ ነይሮም። ኣብቲ ግዜ ሻዕሎት ክዓርግ ጀሚሩ። በዚ ፍጥነት እዚ ንካቡል ክቆጻጸሩዋ'ዮም ዝብል ግምት ግን ኣይነበረን። እቲ ኣብዝሐ ዝተማህረ ዝብሃል ክፋል ሕብረተሰብ ንፕሬዝደንት ኣሽራፍ ጋህኒ እዩ ዝድግፍ። ስለዚ ብውሑድ ሰራዊት ስለ ዘሎ ንካቡል ክከላኸል እዩ ዝብል ትጽቢት ነይሩ። ከም ከንዳሃር ዝበላ ዓበይቲ ግዝኣታት ተታሒዘን እውን ካቡል ኣይትትሓዝን ዝብል ነይሩ። ግን ኩሉ ነገር ብቕልጡፍ ተቐያይሩ። ቢቢሲ፡ ክሳብ ሕጂ ብዙሓት ዜጋታት ክረጋግኡ ስለ ዘይኽኣሉ ዝበዝሕ ሰብ ክወጽእ ይደሊ ኣሎ። እንታይ ይስምዐካ? እቲ ህዝቢ ብጣዕሚ'ዩ ዘሕዝነኒ፤ እንታይ ከም ዝገብሩ'ውን ኣይፈልጡን። ብፍላይ እተን ደቂ ኣንስትዮ ይውሓድ ይብዛሕ ሰሪሐን እቶት እናረኸባ ንስድራቤተን ይሕግኣ ስለ ዝነበራ ሕዚ እንታይ ከም ዝፍጠር ኣይፈልጣን። ክሰርሓ ይክእላ'ዶ ኣይኽእላን ስለ ዘይፍለጥ፡ ዚያዳ ዝሻቐላን መጻኢአን ዘተሓሳስበን ንሳተን እየን። ዜጋታት እቲ ናይ ጸጥታን ድሕነትን'ውን ኣዝዩ የተሓሳስቦም ስለ ዝኾነ ካብታ ሃገር ወጺእና ክንነብር ይሓይሽ ዝብሉ ይበዝሑ። ግን ተስፋ ይገብር፤ ጣሊባን ካብቲ ሕሉፍ ዝነበሮ ባህርያት ምምሕያሽ ኣርእዩ ከምቲ ሰብ ዝፈርሖ ኣይኸውንን ኢለ ተስፋ ይገብር። ዓድኻ ገዲፍካ እንታይ ይግበር?","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58278812"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን፡ ምእንቲ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ጣሊባን ክትሰርሕ ተስፋ እትገብር ተሓላቒት መሰላት","content":"ጣሊባን ናብ ካቡል እንትኣቱ ፕሬዝደንት ኣሽራፍ ጋኒ ካብታ ሃገር ሃዲሙ። ብምምጻእ እቲ ጉጅለ ዝተሻቐሉ ኣሽሓት ዜጋታት እታ ሃገር'ውን ካብ ኣፍጋኒስታን ንምውጻእ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ክጸቓቐጡ ተራእዮም። ማሕቡባ ሲራጅ ግን ሓንቲ ካብኣቶም ኣይኮነትን። ንነዊሕ ዓመታት ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ክትጉስጉስ ጸኒሓ። ሓላፊት ማእከል ህንጸት ክእለት ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋኒስታን እያ። እዚ፡ ዘቤታዊ ዓመጽን መሃይምነትን ኣብ ዝበዝሖም ከባቢታት ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ንምትብባዕን ግንዛበ ንምዕባይን ዝሰርሕ ትካል'ዩ። ቅድሚ ክልተ ሰሙን ጥራሕ'ያ ማሕቡባ ኣብ ኣመሪካ ነይራ፤ ግን ድማ ናብ ኣፍጋኒስታን ክትምለስ ወሲና። \"ንድሕነት ኩለን ሓላፍነት ዝወሰድኩለን ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ክብል ኣብ ጥቅአን ክኸውን ይግባእ። ስቕ ኢለ ገዲፈየን ክኸይድን ካብታ ሃገር ክወጽእን ኣይክእልን\" ትብል። ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ዙርያ ኣተኣላልያ ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ ምስ ጣሊባን'ውን እንተኾነ ተሓባቢራ ክትሰርሕ ትደሊ። \"እንተውሓደ ከነዘራርቦም ተስፋ ይገብር፤ ብውሑድ ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ከፍ ክንብል እንተክኢልናን እንተኣዘራሪብናዮምን . . . በላሕቲ ሰባት ክንረክብ ንኽእል ኢና . . . ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋኒስታን ዘለወን ዓቕሚ ክፈልጡ ይኽእሉ'ዮም\" ኢላ። 'ሕልምታትና ተሰይሮም' ጣሊባን፡ ካብ 1996 ክሳብ 2001 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] እዩ ኣብ ስልጣን ነይሩ። ኣብቲ ግዜ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ትሕቲ ጥቡቕ ሕጊታት ክነብራ ይግደዳ ነይረን። ትምህርትን ስራሕን ተነፊገን፣ ብዘይ ሓለዋ ወዲ ተባዕታይ ካብ ገዛ ከይወጽኣ ተኸልኪለን፣ ካብ ጸጉሪ ርእሰን ክሳብ ጽፍሪ እግረን ክሽፈና ተገዲደን፣ ኣብ ኣደባባይን ስታድየማትን ይግረፋን ብእምኒ ተቐጥቂጠን ይቕተላን ነይረን። ብርግጽ፡ ሕጂ'ውን ኣብ ዓለም ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ብዙሕ ዘይተመለሰ ሕቶታት ኣለወን'ዩ። ኣባል ባይቶ ኣፍጋኒስታን ፋርዛና ኮቻይ ነበርቲ ካቡል ብምምላስ ምምሕዳር ጣሊባን ተሻቒሉ'ዩ ትብል። \"እቲ ዘሎ ስግኣት ብምንታይ ከም ዝዕቅኖ ኣይፈልጥ . . . እቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ፍርሒ፣ ኩሎም ዝስምዖም ዘሎ ስምዒት ክገልጾ ኣይክእልን። ስቕ ኢሎም ክኸውን እዩ ኢሎም ዘይተጸበዩዎን ዘይሓሰቡዎን'ዩ ገጢሙዎም፤ 'ናበይ ንኸይድ? እንታይ ንግበር? ዝብል ኣብ ገጾም ይንበብ\" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ። ካልእ ጸሓፊት ኮይና እትሰርሕ ሽማ ክርቋሕ ዘይደለየት ጓል ኣንስተይቲ ብምምላስ ጣሊባን \"ተሰይረ'የ\" ኢላ። \"ክሰርሖ ዝደሊ ከም ዝሰርሕ ክፍቀደለይ ድዩ ብዛዕባ ዝብል ርግጸኛ ኣይኮንኩን። ከማይ ሕልምታተን ዝተሰብረ ብዙሓት መናእሰይ ኣለዋ። ንዝሓሸ መጻኢ ዘመዓዱ ዝነበረ ተስፋና ብቕልጡፍ ይሃስስ ኣሎ\" ትብል። ተሓላቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ማሕቡባ ሲራጅ ግን፡ ንደቂ ኣንስትዮ ዝሓሸ ኩነታት ንምፍጣር ኣብ ውሽጢ እቲ ስርዓት ምስራሕ ይክኣል'ዩ ኢላ ትኣምን። \"ቅድሚ ሕጂ . . . ቅድሚ ጣሊባን ዓለም ኮነ ህዝብና ጥንካረ ጓል ኣንስተይቲ ኣፍጋን ኣይርኣዩዎን። ዓቕምታትና ብዝግባእ ኣይተጠቐሙሉን፤ ክንድቲ ከሳትፉና ዝግባእ ኣየሳተፉናን፤ ተስፋ ይገብር እዞም ሰባት እዚ ዕድል ክህቡና\" ትብል። ወሲኻ፡ \"ከምኡ እንተገይሮም ጸገም የብልናን፤ እንተዘይኮይኑ'ውን እተን ደቂ ኣንስትዮን ካልእን ውሑስ እንተኾይኑ፡ ጸገም የብሉን\" ዝብል እምነት ከም ዘለዋ ተዛሪባ። ማሕቡባ ሲራጅ፡ ንጣሊባን ከም ዘይትፈርሖምን ከም ዘይትሰናበድን ትዛረብ። \"ንስንባደ ግዜ የብልናን\" ዝበለት ማሕቡባ፡ \"ከንፈር ንምርምጣጥ ኮነ ንድራማ ግዜ የብልናን\" ኢላ። እንተኾነ ኣመሪካን ሃገራት ምዕራብን ንኣፍጋናውያን ንጣሊባን ራሕሪሖምዎም ብምኻዶም ዝተሰምዓ ሕርቃን ቁጥዐን ኣይሓብአትን። \"በዚ ክንደየናይ ከም ዝተቖጣዕኹ ክገልጾ ኣይክእልን። እቲ ዝነበረ ዓለምለኻዊ ጻዕርን ኣብ ውዱእ ደቓይቕ ራሕሪሖምና ብምኻዶም ዝተሰምዐኒ ሕርቃን ክገልጾ ኣይክእልን\" ኢላ። ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ምስ ዓለምለኻዊ ለገስቲ ትካላት ብምስርሓን ኣብ ዓለምለኻዊ ኣኼባታት ብእትገብሮ ዝነበረት ተሳትፎን፡ 'ከይትቕተሊ ትሰግኢ'ዶ?' ዝብል ሕቶ ቐሪቡላ \"ፈጺሙ\" ዝብል ምላሽ እያ ሂባ። \"ወትሩ ነቲ ትኽክለኛ ኣፍጋኒስታናዊ'የ ዝውክል፤ ንሱ'የ ገይረ። ገሊኦም ኣባላት ጣሊባን ካ እዚ ይፈልጡ'ዮም እየ ዝብል\"። ካብዚ ብምብጋስ እቲ ሕጂ ተርእዮ ዘላ ጽንዓት ገሊኦም ብጅግንነት ክርእዩዎ ይኽእሉ፤ ንሳ ግን ኣይትሰማምዐሉን። \"ሰማእት ኣይኮንኩን፤ ሓቦኛ ጓል ኣንስተይቲ'ውን ኣይኮንኩን። እኳ ድኣ ብሓላፍነት እየ ዝኣምን። ኣፍጋኒስታናዊት ጓል ኣንስተይቲ'የ። ስለዚ ኣብ ሃገረይ ክኸውን ይደሊ\" ኢላ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58246950"} {"headline":"ሰራዊት ኣመሪካን ኔቶን ኣብ ኣፍጋኒስታን ቀንዲ መዓስከሮም ካብ ዝነበረት ባግራም ወጺኦም","content":"ሰራዊት ኣመሪካን ኔቶን ኣብ ኣፍጋኒስታን ካብታ ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ቀንዲ ደጀን መበገሲ ኵናት ኣንጻር ጣሊባንን ኣልቃዒዳን ዝነበረት መዓስከር ሓይሊ ኣየር ባግራም ጠቅሊሎም ወጺኦም። እቶም ወተሃደራት ኣመሪካን ኔቶን ካብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ባግራም ምውጽኦም ኣብ ወርሒ መስከረም ጠቅሊሎም ክወጽኡ ምዃኖም ከም ምልክት ተወሲዱ ኣሎ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን 11 መስከረም ናይዚ ዓመት'ዚ ጥቅሊሉ ክወጽእ'ዩ ምባሉ ዝዝከር እዩ። መዓስከር ሓይሊ ኣየር ባግራም ኣብ ሰሜን ካቡል ዝርከብ ኮይኑ ኣመሪካን ኔቶን ኣብ ኣፍጋኒስታን ካብ ዝመስረትዎ ዝዓበየ ደጀኖም'ዩ ነይሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰራዊት ጣሊባን ኣብ ዝተፈላላየ ከባቢታት ኣፍጋኒስታን ቦታታት ኣብ ምሓዝ እዩ ዝርከብ። ምስዚ ብምስናይ ብዙሓት ንውጥን ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካን ኔቶን ካብ ኣፍጋኒስታን 'ኣይግዚኡን'ዩ' ኢሎም ዝገልጽዎ ኣለዉ። ኣመሪካ ሰራዊታ ካብ ኣፍጋኒስታ ጠቅሊላ ከተውጽእ ዝወጠነትሉ ቀንዲ ምኽንያት ምስቲ ኣልቃዒዳ ኣብ 11 መስከረም 2001 ኣብ ኣመሪካ ኣስታት 3000 ዝሞቱሉ መጥቃዕቲ ዝፈጸመሉ መበል 20 ዓመት ንኽሳነ ተባሂሉ እዩ እቲ መዓልቲ ተሓርዩ። ኣልቃዒዳ ኣብ 11 መስከረም 2001 መጥቃዕቲ ምስ ፈጸመ ብኣመሪካ ዝመራሕ ልፍናታዊ ሓይሊ ንዕጡቓት ኣልቃዒዳ ንምህዳን ናብ ኣፍጋኒስታን ከም ዝተዋፈረ ይዝከር። ኣብዚ ሕጂ እዋን 2500 ክሳብ 3500 ዝኾኑ ኣመሪካውያን ወተሃደራት ኣብ ኣፍጋኒስታን ከምዘለዉ ክግመት እንከሎ፡ ምስቶም ኣብታ ሃገር ዘለዉ ኣስታት 7000 ሰራዊት ኔቶን መላፍንቲ ሃገራትን ክሳብ 11 መስከረም ኣብ ዘሎ ግዜ ጠቅሊሎም ክወጽኡ ምዃኑም እዩ ተገሊጹ። ሰራዊት ኔቶን ሰራዊት ኣመሪካን ኣብዚ ሕጂ እዋን ንዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ርእሰ ከተማ ካቡል ኣብ ምሕላው እዮም ዝርከቡ። ጸጥታዊ ኩነታት እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ መጻኢ ከመይ ይኹን ኣብ ዝብል ቀጻሊ ዘተታት ኣብ ምክያድ ይርከብ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ጣሊባን ሰፋሕቲ መሬት ኣፍጋኒስታን ኣብ መቁጽጻር ስለ ዝርከብ፡ ኣብ መጻኢ ኣብታ ሃገር ዳግማይ ኵናት ሕድሕድ ከይውላዕ ብኣግኡ ተሰጊኡ ኣሎ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57691863"} {"headline":"ኣመሪካ ኣብ ኲናት ኣፍጋኒስታን ክንደይ ህይወትን ገንዘብን ከፊላ?","content":"ድሕሪ 20 ዓመታት ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ሓይልታት ኣመሪካን ካልኦት መሻርኽቲ ሃገራትን፡ ነታ ሃገር ለቒቖም እንትወጽኡ፡ ሓይልታት ጣሊባን ነታ ሃገር ንምቁጽጻር ብዙሕ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ፕሬዝዳንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ክሳብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም፡ ወተሃደራት ኣመሪካ መሊኦም ከምዝወጽኡ ኣፍሊጡ ነይሩ። እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ንደሓር ኣመሪካን ካልኦት ኣባል ሃገራት ኔቶን ክንደይ ዝኣክል ወጻኢ ከምዝሓተተን ክንምልከት ኢና። ኣመሪካ፡ ምስ መጥቃዕቲ 9\/11 ምትእስሳር ኣለዎም ዝበለቶም፡ ንኦሳማ ቢን ላንደንን ካልኦት መራሕቲ ኣልቃዒዳን ኣዕቊቦም ዝበለቶም፡ ሓይልታት ጣሊባን ካብ ስልጣን ንምእላይ ጥቅምቲ 2001 እያ ናብ ኣፍጋኒስታን ኣምሪሓ። ኣመሪካ፡ ሓይልታት ጣሊባን ንምውጋእ ብዙሕ ቢልዮን ዶላራት ዘውጸት ኮይና፡ ብዝሒ እቲ ናብታ ሃገር ዝወፈረ ወተሃደር’ውን ካብቲ ቀዲሙ ዝኣተወ እናወሰኸ እዩ መጺኡ ነይሩ። ኣብ 2011 ብዝሒ ናብታ ሃገር ዝወፈረ ወተሃደር ኣመሪካ፡ 110,000 በጺሑ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ 4 ሽሕ ወተሃደራት ጥራይ እዮም ነይሮም። እዚኦም ነቶም ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ ዜጋታት ኣመሪካ ንምሕላው እዮም ኣብቲ ከባቢ ነይሮም። ሕዚ፡ ጣሊባን ንመላእ ኣፍጋኒስታን ምስተቖጻጸረ፡ ኣመሪካ ዜጋታታ ንምውጻእ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራታ ተመሊሶም ናብ ርእሰ ከተማ’ታ ሃገር፡ ካቡል፡ ኣትዮም ኣለዉ። ኣባላት ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ሓዊሱ፡ ናይ ካልኦት ሃገራት ሰራዊት’ውን ኣብታ ሃገር ነይሮም እዮም። ኔቶ፡ እቲ ስሩዕ ውግእ ኣብ 2014 እዩ ዛዚሙ። እንተኾነ፡ ሓይልታት ኣፍጋኒስታን ንምስልጣንን ኣንጻር-ግብረ ሽበራ ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ንምድጋፍን 13 ሽሕ ሰራዊት ዝሓዘ ሓይሊ ኣብታ ሃገር ጸኒሑ እዩ። ኣብ ኣፍጋኒስታን ልዑል ቁጽሪ ዘለዎም ናይ ብሕቲ ሓይልታት ጸጥታ ኣለዉ። ኮንግረስ ኣመሪካ ከምዘጽነዖ እንተኾይኑ፡ ክሳብ መወዳእታ 2020፡ ልዕሊ 7,800 ኣብዚ ዝምደቡ ዜጋታት ኣመሪካ ነይሮም። ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝተገብረ ገንዘባዊ ወጻኢ ብኣብዝሓ ብኣመሪካ ዝተሸፈነ ምዃኑ ይዝረብ። ካብ 2010 ክሳብ 2012፡ ልዕሊ 100 ሽሕ ወተሃደራት ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ነቲ ኲናት ወጻኢ ዝተገብረ ዓመታዊ፡ ናብ 100 ቢልዮን ዶላር ከምዝጽጋዕ መረዳእታት የመልክቱ። ሰራዊት ኣመሪካ፡ ትኹረቱ ናብ ስልጠና ሓይልታት ጸጥታ ኣፍጋኒስታን ምስ ኣዞረ፡ ብዙሕ ወጻኢ ከምዝነከየ እዩ ዝዝረብ። ብ2018፡ ዓመታዊ ወጻኢኡ 45 ቢልዮን ዶላር ከምዝነበረ ሓደ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ንኮንግረስ ገሊጹ ነይሩ። ብመሰረት መምርሒ ምክልኻል ኣመሪካ፡ ብሓፈሻ ካብ 2001 ክሳብ 2019 ዝነበረ ወጻኢታት ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ 778 ቢልዮን ዶላር በጺሑ ነይሩ። ከምኡ’ውን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ምስ ትካል ተራድኦ ኣመሪካ (ዩኤስኤአይዲ) ብሓባር፡ ንመደብ- ዳግመ ህንጸት እታ ሃገር ዝውዕል፡ 44 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ከምዝገበሩ ይዝረብ። እዚ ድማ፡ ኣብ ዕላዊ ዝተገብሩ መረዳእታ መሰረት ብምግባር ብድምር፡ ኣብቲ ዝተርቑሓ እዋን፡ 822 ቢልዮን ዶላር ይበጽሕ። እዚ፡ ኣመሪካ፡ ንተመሳሳሊ ዕላማ ኣብ ፓኪስታን ዝገበረቶ ወጻኢ ኣየካትትን። ዩኒቨርሲቲ ብራውን፡ ኣብ 2019 ብዘካየዶ መጽናዕቲ መሰረት፡ ኣሜሪካ ምስ ኲናት ኣፍጋኒስታን ብዝተኣሳሰር፡ 978 ቢሊዮን ዶላር ወጻኢ ገይራ እያ። እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብቲ ኲናት ጠቕላላ ወጻኢ ዝተገብረ ብልክዕ ንምግምጋም ከምዝኸብድ እዩ ዝጠቅስ። ዩናይትድ ኪንግደም 30 ቢልዮን፡ ጀርመን ድማ 19 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ከምዝገበራ ይግመት። ሕዚ ኣመሪካን ካልኦት ኣባላት ኔቶን፡ ወተሃደራተን ካብቲ ከባቢ እንተውጻኣ’ኳ፡ ክሳብ 2024 ንሰራዊት ኣፍጋኒስታን ብድምር 4 ቢልዮን ዶላር ንምኽፋል ተመጻቢዐን ይርከባ። ኣብዚ ዓመት ጥራይ፡ ኔቶ ንኣፍጋኒስታን ናይ 72 ሚልዮን ዶላር ዋጋ ዝግመት ድጋፍ ኣጽዋር ከምዝገበረ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብዝሓ እቲ ገንዘብ ንኣንጻር ግብረ ሽበራ ተግባራት፡ ንምግቢ፣ ክዳውንትን ሕክምና ከምኡ’ውን ንካልኦት ወተሃደራዊ ጥቕማ-ጥቕሚታት እዩ ውዒሉ። መረዳእታታት ከምዘርእዩዎ፡ ካብ 2002 ጀሚሩ፡ ኣመሪካ ንዳግመ ህንጸት ኣፍጋኒስታን 143.27 ቢልዮን ዶላር ዝኣክል ወጻኢ ገይራ እያ። ከምኡ’ውን ንሃገራዊ ሰራዊት እታ ሃገርን ንፖሊስን ካልኦት ሓይልታት ጸጥታን፡ 88.32 ዶላር ወጻኢ ተገይሩ እዩ። ንምምሕዳራውን ስራሕቲ ልምዓትን ድማ፡ 36 ቢልዮን ዶላር ፤ ዝተረፈ ውሑድ ገንዘብ ድማ ንኣንጻር ዕጸ-ፋርስ ወጺኡ ተባሂሉ። ዝተረፈ ድማ፡ ብምትላልን ግዕዝይናን ከምዝባኸነ ይዝረብ። ምስ ጣሊባን ኣብ ዝተኻየደ ኲናት፡ ካብቲ ጥሙር ሓይሊ፡ ብሓፈሻ ካብ 2001 ጀሚሩ ልዕሊ 3,500 ኣባላት ምምዋቶም ይግለጽ። ካብ መንጎኦም፡ እቶም 2,300 ወተሃደራት ኣመሪካ እዮም። ልዕሊ 450 ወተሃደራት እንግሊዝ እንትሞቱ፡ ልዕሊ 20 ሽሕ ወተሃደራት ኣመሪካ ቆሲሎም ተባሂሉ። እዚ ምስቲ ብዝሒ ዝሞቱ ኣፍጋኒስታውያን ወተሃደራት እንትነጻጸር፡ ውሑድ እዩ። ኣብ 2019 ፕረዚደንት ጋኒ መንበረ-ስልጣን እንትቆጻጸር፡ ሓሙሽተ ዓመታት ቅድም ኢሉ ጀሚሩ፡ ልዕሊ 45 ሽሕ ሓይልታት ጸጥታ ኣፍጋኒስታን ሞይቶም ተባሂሉ። መጽናዕቲ ዩኒቨርሲቲ ብራውን ከምዘርእዮ ድማ፡ ብሓፈሻ እቲ ኲናት ብ2001 ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ህይወቶም ዝሳአኑ ኣባላት ሰራዊትን ፖሊስን’ታ ሃገር፡ ብድምር ልዕሊ 64 ሽሕ ከምዝኾነ እዩ ዝግመት።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58236266"} {"headline":"ጣሊባን፡ ብኹሉ ኣንፈት፡ ናብ ርእሰ ከተማ ኣፍጋኒስታን ካቡል፡ ይኣትዉ'ለዉ ተባሂሉ","content":"ሓይልታት ጣሊባን፡ ናብ ርእሰ ከተማ ኣፍጋኒስታን ይኣትዉ ምህላዎም ጸብጻባት ሓቢሮም። ዝበዝሕ ግዝኣታት ኣፍጋኒስታን ዝተቖጻጸሩ እቶም ዕጡቓት፡ ናብታ ርእሰ ከተማ ብዝተፈላለዩ ኣንፈታት ክኣትዉ ዝተራእዩ ኾይኖም፡ ካብ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ከቢድ ዝባሃል ተቓውሞ ከምዘይገጠሞም እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ጣሊባን ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ሓይልታቱ ኣብ ወሰናወሰን እታ ከተገማ ክጸንሑን ዘሊቖም ናብ ውሽጢ ከይኣትዉን ሓቲቱ። እዚ ድማ ብዙሓት ሰአላማውያን ሰባት በቲ ኲናት ከይህሰዩ ብምሕላይ ከምዝኾነ እቲ መግለጺ የመልክት። ፕረዚደንት ኣፍጋኒስታን ኣሽራፍ ጋኒ፡ ብትዊተሩ ኣቢሉ፡ ኣብ ገለ ከባብታት እታ ከተማ ተኹሲ ምንባሩ እንተኣመነ'ኳ፡ 'ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ነቲ ኩናታት ኣብ ቑጽጽር ከምዘወዐልዎ' ገሊጹ። ጉጅለ ጣሊባን ኣብ መግለጺኡ፡ ሓላፍነት ድሕነት ሰላማውያን ነበርቲ እታ ከተማ ናይ መንግስቲ እዩ ዝበለ ኾይኑ፡ መንግስቲ ብገዛ ፍቓዱ ስልጣኑ ብሰላም ከረክብ 'ህጹጽ ዝርርብ ይካየድ' ከምዘሎ ተሓቢሩ። ገለ ጸብጻባት፡ ኣብ ገለ ክፋላት እታ ከተማ ተኹሲ ይስማዕ ከምዘሎን፡ ሓይልታት ጣሊባን ባንዴረኦም ሒዞም ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ ከምዝተርአዩን ይሕብሩ። ----- ዕጡቓት ሓይልታት ጣሊባን ዓበይቲ ከተማታት እታ ሃገር ብምቁጽጻር ናብ ሎሚ ዘጽብሕ ናብታ ርእሰ ከተማ ይጽግዑ ምንባሮም ጸብጻባት ይሕብሩ። ሎሚ ዕለተ ሰንበት ጃላላባድ ዝተብሃለት ኣብ ምብራቕ ኣንፈት እትርከብ ሓንቲ ኣገዳሲት ከተማ ብዘይ ውግእ ተቖጻጺሮም እዮም። እዚ ድማ፡ ማዛር-ኣይ-ሻሪፍ ዝተብሃለት ንመንግስቲ ብርቱዕ ድጋፍ ኣለዋ ተባሂሉ ዝንገረላ ከተማ ምትሓዛ ስዒቡ እዩ ኮይኑ። ሓይልታት መንግስቲ ብቐሊሉ ምብትታኖም፡ ፕረዚደንት ኣሽራፍ ጋኒ ካብ ስልጣኑ ንክወርድ ጸቕጢ ይፈጥር ኣሎ ተባሂሉ። እቲ ፕረዚደንት፡ ፈትዩ ኢዱ ክህብ ድዩ ወይካአ ክሳዕ መወዳእታ ክዋጋእ ኣብ ክልተ ሕማቓት ኣማራጺታት ወዲቑ ኣሎ። እዚ ከም’ዚ እንከሎ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ሰራሕተኛታት ኢምባሲኡ ካብ’ታ ርእሰ ከተማ ከውጽእ ጀሚሩ ኣሎ። ሎሚ ሰንበት ንጎሆ እቶም ሰራሕተኛታት ናብ ሽድሽተ ዓበይቲ ወተሃደራዊ መጓዓዝያ ነፈርቲ እንትኣትዉ ተራእዮም ኣለዉ። ነቲ ስርሒት ምውጻእ ሰራሕተኛታት እቲ ኢምባሲ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ሓሙሽተ ሽሕ ወተሃደራት ኣዋፊሩ ከምዘሎ ይዝረብ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ሓይልታቱ ካብ’ታ ሃገር ንምውጻእ ዝወሰነሉ ምኽንያት ሕዚ’ውን ተሪሩ ክዛረብ ይረአ ኣሎ። ንሱ፡ “ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ ናይ ሓንቲ ሃገር ሕድሕዳዊ ኲናት ኣትያ መወዳእታ ንዘይብሉ ግዜ ክትጸንሕ ኣይትኽእልን” ይብል። ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን፡ ንልዕሊ ዒስራ ዓመታት ኣብታ ሃገር ዝጸንሑ ሓይልታትን ካብታ ሃገር ከውጽኡ ምጅማሮም ስዒቡ እዩ ፤ ዕጡቓት ጣሊባን ጉልበት እናረኸቡ መጺኦም። ገለ ጸብጻባት ከምዘመልክትዎ፡ ሓይልታት ጣሊባን ዋላ ሓንቲ ጥይት ከይተኮሱ እዮም ነዛ ርእሰ ከተማ ክልል ናነጋርሃር ዝኾነት ጃላላባድ ተቖጻጺሮምዋ። ሓደ ካብ ሰብ መዚ ኣፍጋኒስታን “ኣብ ከተማ ጃላላባድ ዝኾነ ውግእ ኣይነበረን። ምኽንያቱ ድማ፡ እቲ ኣማሓዳሪ ብሰላም ኢዱ ነቶም ሓይልታት ስለዘረከበ እዩ” ክብል ንሮይተርስ ተዛሪቡ። “ሰለማዊ ሰባት ከይሞቱ ብሕታዊ ፍታሕ፡ ንሓይልታት ጣሊባን ብሰላም ክሓልፉ ምፍቃድ ጥራይ እዩ” ኢሉ። ታሪቕ ጋዝኒኣል ዝተብሃለ ጋዜጠኛ፡ ናይታ ግዝኣት ኣማሓዳሪ ኢዱ እንትህብ ዘርኢ ምስሊ ኣብ ትዊተሩ ጠቂዑ ኣሎ። ጃላላባድ ኣብ ኢድ ሓይልታት ጣሊባን ኣትያ ማለት፡ ሓይልታት ጣሊባን ምስ ፓኪስታን ዘራኽቦም ቀጥታዊ መገዲ ተቖጻጺሮም ማለት እዩ። ነባሪ እታ ከተማ ኣባስ ኢብራሂምዛዳ፡ ንኤፒ ከምዝበሎ፡ መጀመርታ ሰራዊት እታ ሃገር እዩ ኢዲ ሂቡ ቀጺሉ ድማ፡ ካልኦት ደገፍቲ መንግስቲ ሓይልታትን ሚሊሻታትን ኢዶም ክህቡ ክኢሎም። እቶም ዕጡቓት ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሓፈሻ፡ ካብ 34 ምምሕዳራዊ ርእሰ ከተገማታት ነተን 23 ተቖጻጺሮመን ኣለዉ። ልዕሊ ርብዒ ምልዮን ዝኾኑ ሰባት ብሰንኪ’ቲ ውግእ ናብ ርአሰ ከተማ ካቡል ተመዛቢሎም ኣለዉ ተባሂሉ። ኣብ ገለ ብዕጡቓት ጣሊባን ዝተቖጻጸርዎም ከባብታት፡ እቶም ዕጡቓት ገለ ስድራታት ዘይተመርዐወ ኣዋልድ ደቆም ንኣባላት ሓይልታቶም ክምርዐዋ ይሓቱ ኣለዉ ተባሂሉ። ጓል 35 ሙዥዳ፡ ምስ ካልኦት ክልተ ኣሕዋታ ፓርዋን ካብ ዝተብሃለ ከባቢ ዝተመዛበለት ኮይና፡ እቶም ዕጡቓት ካብ ዝምርዓውዋ፡ ህይወታ ክተጥፍእ ከም እትመርጽ ተዛሪባ። “ቀጥርን ለይትን ይበኪ ኣለኹ” ኢላ ኤኤፎፒ ኣብ ዝሃበቶ ቃል። እቶም ጣሊባን ኣብ ዝተቖጻጸርዎ ከባብታት፡ ደቂ ኣንስትዮ ካብ እግረን ክሳብ እግረን ዝሽፍን ሙሉእ ነፍሰን ከዕመማ ይግደዳ ኣለዋ። ከምኡ’ውን እቶም ዕጡቓት፡ ነዚ እስላማዊ ሕግታት ንዝጥሕሱ ሰባት ክገርፉን ክሃርሙን ተራእዮም። ወዲ 53 ሰይድ ኣክባር ንኒውዮርክ ታይምስ፡ “እግዚኣብሄር ኣይግበሮ ‘ምበይ ኣብ ካቡል ሕማቕ ኲናት ክካየድ ይኽእል እዩ” ክብል ተዛሪቡ። ንልዕሊ 40 ዓመት ሰቖቓ ከምዘሕለፉ’ውን ተዛሪቡ። “እዚ ትሪኦ ዘለኻ መገዲ ብዓጽመ ረሃጽና እዩ ተሰሪሑ” ድማ ኢሉ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58220337"} {"headline":"ሓይልታት ጣሊባን ንዓበይቲ ከተማታት ከቢቦም ከምዘለዉ ተገሊጹ","content":"ሓይልታት ጣሊባን ካብ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ክምንጥልዎን ዝደለዩ ሰለስተ ኣገደስቲ ከተማታት ኣብ ክባ ኣእትዮም ከቢድ ውግእ የካይዱ ከምዘለዉ ተሓቢሩ። ዕጡቓት ጣሊባን ዝኸበብዎን ከተማታት ሄራት፣ ላሽካርን ካንደሃርን ይበሃላ። ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ናይ ደገ ሓይልታት ክሳብ መጻኢ ወርሒ መስከረም ጠቕሊሎም ክወጽኡ እዮም ድሕሪ ምባሉ፡ እቶም ሓይልታት ብርክት ዝበላ ገጠራት ኣብ ቁጽጽሮም ኣውዒሎም ከምዘለዉ ጸብጻባት ይሕብሩ። እንተኾነ፡ ዕጫ ናይዘን ሕዚ ከቢቦም መጥቃዕቲ ዝፍንዉለን ዘለዉ ከተማታት ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ይግለጽ፤ ምኽንያቱ ድማ፡ ኣብተን ከተማታት ዝርከቡ ኣመሓደርቲ መንግስቲ ዘምልጥሉ ክፍቲ መንገዲ’ኳ የለን ተባሂሉ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብታ ሃገር ሰብኣዊ ቅልውላው ኣዝዩ ኣብ ዘሻቕል ደረጃ ይበጽሕ ከምዘሎ ይዝርብ። እዚ ጸግዒ ዝሓዘ እስላማዊ ጉጅለ፡ ብሓፈሻ ዳርጋ ፍርቂ ዝኣክል ግዝኣታት ኣፍጋኒስታን ኣብ ቁጽጽሩ ኣእትዩ ከምዘሎ እዩ ይዝረብ። ገሊኡ እቲ ግዝኣታት ምስ ኢራንን ፓኪስታንን ዘዳቡብ ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ። እቶም ዕጡቓት፡ ላሽካር ኣብ ዝተብሃለት ከተማ፡ ትማሊ ቀዳም እቲ ኣመሓዳሪ ካብ ዝነበረሉ ቦታ ናይ ኣማኢት ሜትሮ ራሕቒ ከምዝነበሩ ዝተገለጸ ኮይኑ ኣብ ከውታ ለይቲ ንእሽቶ ተደፊኦም ከምዝሓደሩ ተሓቢሩ። እዚ ፈተነ ንካልኣይ ግዜኦም ምዃኑ እዩ ዝግለጽ። ኮማንደር መንግስታዊ ሓይልታት ኣፍጋኒስታን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት ከቢድ ሞትን መቑሰልትን ከምዘውረድሎም ተዛሪቡ። ሓደ ኣባል ተወከልቲ ህዝቢ፡ እታ ከተማ ኣብ ኢድ ኣብቶም ዕጡቓት ክትወድቕ ከምእትኽእል ስግኣቱ ንቢቢሲ ገሊጹ። ጉል ኣሕመድ ካሚን ዝተብሃለ እቲ ኣባል ቤት ምኽሪ፡ እቲ ኩነታት እንዳተጋደደ ምምጽኡን ኣብ ውሽጢ ዒስራ ዓመታት ኣብታ ከተማ ከምዚ ዓይነታት ከቢድ ውግእ ተራእዩ ከምዘይፈልጥን ተዛሪቡ። ሓይልታት ጣሊባን ነታ ከተማ ኣብ ቀይዲ ከውዕሉ ዝደለይሉ ምኽንያት ኣገዳሲት ብምዃና እዩ ተባሂሉ። ምናልባሽ’ውን፡ ንግዚኡ ርእሰ ከተማ ገይሮም ካልኦት ልዕሊ 5 ጎረባብቲ ግዝኣታት ኣብ ቀይዲ ንምእታው ዝጠቕሞም ስትራተጂ ከምዝኾነ እዩ ዝዝረብ። ዕጡቓት ጣሊባን ነታ ከተማ ከቢቦምዋ ከምዝርከቡን፡ ምንቅስቓስ ህዝቢ ስለዘሎ ከቢድ ብረት ክጥቀሙ ከምዝተጸገሙን’ውን ወሲኹ ሓቢሩ። ሄራት ዝተብሃለት ብቑጠባ ኣዝያ ኣገዳሲት ኣብ ዝኾነት ከተማ ድማ፡ እቶም ዕጡቓት ብደቡብ ገጻ ክኣትዉ ከምዝተርአዩ ቶሎ ዝተብሃለ ጋዜጣ ጸብጺቡ። ብሓሙሽተ ኣንፈት ውግእ ከምዘሎ ድማ ተገሊጹ። ኣመሪካ ሐዚ’ውን ደብዳብ ነፈርቲ ዘካየደት ኮይና፡ ሓይልታት መንግስቲ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ክቆጻጸሩ ሓጊዝዎም። ሕቡራት ሃገራት፡ ሓደ ሰራሕተኛ ጸጥታ ኣባሉ ኮነ ተባሂሉ በቶም ዕጡቓት ከምዝተቐትለ ገሊጹ። ኣብታ ከተማ፡ ሒደት መንደራት ጥራይ ሰለም ዘለዎን ኮይኑ፡ ነበርቲ ንገዛእ ርእሶም ንኽከላኸሉ ይፍትኑ ኣለዉ ተባሂሉ። ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ቶማስ ኒክላሶን፡ እቲ ኲናት እንዳተጋደደ ይመጽእ ከምዘሎ ገሊጹ። ሓይልታት ጣሊባን ‘እስላማዊት ግዝኣት’ ናይ ምፍጣር ሕልሞም ተግባራዊ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስግኣት ከምዝሓደሮ’ውን ተዛሪቡ። ከምኡ’ውን ሓላፊ ሰራዊት እንግሊዝ ዝነበረ ጀነራል ዴቪድ ሪቻርድስ፡ ምውጻእ ሓይልታት ደገ ናይ ምውጋእ ሞራል ሓይልታት መንግስቲ ከምዘዳኽሞን፡ ጣሊባን ‘ግብረ ራዕዳዊ’ ስግኣት ዓለም ለኸ ክኾኑ ከምዝኽእሉን ተዛሪቡ። ዓለም ለኸ ትካላት ረድኤት ድማ፡ ኣብ ቀረባ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከየጓንፍ ስግኣቶም ገሊጾም ኣለዉ። ቁጽሪ ተመዛበልቲ እናወሰኸ፡ መግቢ፣ ቀረብ ጽሩይ ማይን መንግስታዊ ኣገልግሎትን ድማ ይመናመን ኣሎ ኢሎም። መንግስቲ ኣፍጋንስታን ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳም ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ንናይ ጣሊባን ግስጋሰ ንምግታእ ዝዓለመ ዳርጋ ኣብ ምሉእ ሃገር ኣዋጅ እቶ እቶ ከምዝኣወጀ ይፍለጥ። ካብ ርእሰ ከተማ ካቡልን ካልኦት ክልተ ወረዳታታትን ወጻኢ ኣብ መላእ ሃገር ካብ ሰዓት 22፡00 ጀሚሩ ክሳብ 04፡00 ዝኾነ ምንቅስቓስ ኣይፈቅድን። እቲ ብናይ እስልምና ሃይማኖት ጸግዒ ብምሓዝ ዝፍለጥን ቅድሚ 20 ዓመታት ኣቢሉ ብሰንኪ ናይ ኣመሪካ ወራር ካብ ስልጣኑ ዝተደፍአን ጣሊባን፡ ቀንዲ ናይ ኣታውን ወጻእን መንገድታት ንምዕጻው ዘኽእልዎ ኣገደስቲ ጽርግያታት’ውን ተቖጻጺሩ’ዩ። ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ናዕብታት ንምውጋድን ግስጋሰ ጣሊባን ንምግታእን ኣብ 31 ወረዳታት ናይ ምሸት ኣዋጅ እቶ እቶ ተኣዊጁ’ሎ” ዝበለ ኮይኑ እቲ ኣዋጅ ኣብ ካቡል፣ ፓንጅሽርን ናንጋርሃርን ከምዘይሰርሕ ኣፍሊጡ ነይሩ። ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን እተካይዶ ወተሃደራዊ ወፍርታት ነሓሰ 31 [ኣቆጻጽራ ፈረንጂ] ስለዘብቅዕ ብድሕሪኡ ሻቕሎት ፈጢሩ’ሎ። ብኣመሪካ ዝተመርሐ ሓይሊ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2001 ንጣሊባን ካብ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ከምዘኣለይዎ ዝፍለጥ ኮይኑ እቲ ጉጅለ ነቶም ኣብ ወርሒ መስከረም 11 ኣብ ኣመሪካ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ዝዝረበሎም ቢን ላደንን ካልኦት መራሕቲ ኣልቃይዳን የዕቑቡ ከምዝነበሩ’ዩ ዝግለጽ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ሓይልታት ኣመሪካ: ኣፍጋኒስታን ዳግማይ ማእኸል ሽርሕን ክፋእን ምዕራባውያን ንዝኾኑ ናይ ወጻኢ ጅሃዳውያን ከምዘይትኸውን ስለዘረጋገጹ ምውጻእ ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ቅቡል’ዩ ኢልዎ። ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ መጀመርታ እቲ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ሓምለ ካብ ኣፍጋኒስታን ከምዝወጽኡ ዝዝከር ኮይኑ ጣሊባን ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ ንኣፍጋኒስታን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከእትዋ ከምዝኽእል ካብ ናይ ኣመሪካ ተንተንቲ ድሕነት ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58045926"} {"headline":"ኡጋንዳ 2 ሽሕ ስደተኛታት ኣፍጋኒስታን ክትቅበል እያ","content":"ኡጋንዳ ብሰንኪ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ቅልውላው ካብ ኣፍጋኒስታን ይሃድሙ ካብ ዘለዉ ስደተኛታት፡ 2 ሽሕ ከምእትቕበል ኣፍሊጣ፡፡ ሚኒስተር ስደተኛታት ኡጋንዳ ኢስተር ኣንያኩን ንቢቢሲ ከምዝሓበረቶ፡ ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሰቨኒ ኣመሪካ ብዘቕረበቶ ሕቶ መሰረት ነቶም ስደተኛታ ክቕበል ተሰማሚዑ ኣሎ፡፡ ዕጡቓት ጣሊባን ኣብ ሓጺር እዋን ንርእሰ ከተማ እታ ሃገር ካቡል ሓዊሱ ንብዙሕ ከባቢታት ምቁጽጻሮምን መንግስቲ እታ ሃገር ምውዳቑን ስዒቡ ፡ መዕርፎ ነፈርቲ እታ ሃገር ንድሕነቶም ብምስጋእ ክወጹ ብዝደልዩ ዜጋታት ተጨናኒቑ እዩ፡፡ ኣስታት 500 ስደተኛታት ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኢንተበ ክበጽሑ ትጽቢት ይግበር፡፡ እቶም ስደተኛታት ምርመራ ኮቪድ-19 ከምዝግበረሎምን ናብ መፍለዪ ከምዝኣትዉን እውን እታ ሚኒስተር ኣፍሊጣ፡፡ ኩሎም ወጻኢታት እቶም ስደተኛታት ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝሽፈኑ እዮም፡፡ እቶም ስደተኛታት ምስ በጽሑ፡ ዩጋንዳ ስደተኛታት ኣፍጋኒስታን ዝተቐበለት ፈላሚት ኣፍሪቃዊት ሃገር ክትከውን እያ፡፡ ስደተኛታት ብምዕቋብ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዋ ዩጋንዳ፡ ኣብዚ እዋን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብሰንኪ ጎንጽን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ዝተፈናቐሉ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ኣዕቊባ ትርከብ፡፡ ኣብ ዩጋንዳ ስደተኛታት ኣብ መዓስከራት ወይ ኣብ ገጠራት ምስቲ ህዝቢ እዮም ዝነብሩ፡፡ ገሊኦም ከኣ መሬት ይረኽቡን ክሰርሑ ይፍቀደሎምን፡፡","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58246769"} {"headline":"ፕረዚደንት ኣሽራፍ ጋኒ ካብ ሃገር ሃዲሙ፡ ጉጅለ ጣሊባን ንርእሰ ከተማ ኣፍጋኒስታን ተቖጻጺሩ","content":"ፕረዚደንት ኣሽራፍ ጋኒ ንታጂኪስታን ወይ ኡዝበኪስታን ድሕሪ ምህዳሙ ዕጡቓት ጣሊባን ናብ ርእሰ ከተማ ኣፍጋኒስታን ከተማ ካቡል ኣትዮም። ንኣስታት 20 ዓመት ኣብ ኣፍጋኒስታን ዓስኪሮም ኣንጻር ጣሊባን ክዋግኡ ዝጽንሑ ሰራዊት ኣመሪካ ካብታ ሃገር ጠቕሊሎም ምስ ወጽኡ፡ ዕጥቓት ጣሊባን ነታ ሃገር ምሉእ ብምሉእ ተቖጻጺሮማ። ገለ ካብኣቶም ኣብ ቤተ-መንግስቲ ካቡል ከምዝኣተው ዘርኢ ምስሊ ኣሎ። ኣብዚ ቀረባ ሳምንቲ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣፍጋናውያን ኣብ ርእሰ ከተማ ካቡል ተዓቚቦም ኣለዉ። ካብ ትማሊ ሰንበት ኣትሒዙ ኣብታ ከተማ ናይ ስንባደን ፍርሕን ምልክትን ይርአ ከምዘሎን ንህይወቶም ዝሰግኡ ብዙሓት ሰባት ካብታ ከተማ ክወጽኡ ከቢድ ጽቕጥቅጥ ትራፊክ ከምዘሎ ተሓቢሩ። ኣፈኛ ጣሊባን፡ ኣብ ልዕሊ ኣፍጋናውያን ዝኾነ ይኹን\"ሕነ ኣይኪፍደን'ዩ\" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ምዕራባውያን ሃገራት ንዜጋታተን ካብታ ከተማ ከውጽኦኦም ይጓየያ ኣለዋ ። ኣመሪካ ንኣባላት ኤምባሲኣ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ እተውጽኦም ሄሊኮፕተር ልኢኻ። ይኹን እምበር፡ ኤምባሲ ኣመሪካ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ተዅሲ ከም እተሰምዐ ብምሕባር ንዜጋታቱ ክሳብ ኩነታት ጸጥታ ዝረጋጋእ ነብሶም ክዕቅቡ መኺሩ። እቲ እስላማዊ ጕጅለ፡ ቅድሚ 20 ዓመት ብኣመሪካ ብዝምራሕ ወተሃደራዊ ጥምረት፡ ካብ ካቡል ድሕሪ ምእላዩ ሕጂ እዩ ተመሊሱ ዝኣቱ ዘሎ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጆ ባይደን ፡ \"ኣመሪካውያን ኣብ መንጎ ሓድሕዳዊ ግጭት ካልእ ሃገር ንሓዋሩ ዝጸንሕሉ ምኽንያት የሎን \" ብማለት ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ከም ዝወጽእ ገይሩ። ኣፈኛ ጣሊባን ዛቢሁላህ ሙጃሂድ ትማሊ ሰንበት ከምዝሓበሮ፡ ሰራዊቶም ክሳብ ትእዛዝ ዝወሃቡ ኣብ ወሰናስን ከተማ ካቡል ንክጸንሑ ትእዛዝ ከምእተዋህቦም ሓቢሩ። ይኹን እምበር ሕጂ ሓይልታት ጸጥታ ካብታ ሃገር ስለዝወጽኡ ስርቅን ዕግርግር ንኸይፍጠር ነቲ ኩነታት ንኸረጋግኡ ክኣትው ከምዝኾኑ ገሊጹ። ጣሊባን ንልዕሊ ፍርቂ ኣውራጃታት እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ከም አእትዩዎ ኣሎ።ፕረዚደንት ጋኒ ካብ ካቡል ድሕሪ ምህዳሙ ኣበይ ከም ዝኣተወ ዝርዝር ሓበሬታ የሎን። ሚስተር ጋኒ ንዜጋታት ኣፍጋኒስታን ብፈይስቡክ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ኣብታ ሽዱሽተ ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ርእሰ ከተማ ካቡል ምፍሳስ ደም ንኸየጋጥም ካብታ ሃገር ከምዝወጽአ ሓቢሩ። ካልኦት ሰበ-ስልጣን ኣፍጋኒስታን ግን ነቲ ስጉምቲ ነቒፎምዎ ኣለው። ኣቦ መንበር ናይቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ ዓብዱላ ዓብደላህ፡ \"ብኣምላኽ ክሕተት እዩ፣ ህዝቢ እውን ኽፈርድ እዩ\" ኢሉ። ጣሊባን ናብ ካቡል ይጽጋዕ ብምህላው ራዕዲ ዝተሰመዖም ነበርቲ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ይጎዩን መካይኖም ሓዲጎም ካብታ ሃገር ክወጽኡ ይፍትኑ ኣለው።ሓደ ወዲ 22 ዓመት ቢቢሲ ንልዕሊ ሓሙሽተ ሰዓት ብእግሩ ዝተጓዕዘ ተማሃራይ ኣዘራሪቡ። \"ኣእጋረይ ማይ ምዒጕ ንክንቀሳቐስ ተጸጊመ ኣለኹ። ሕጂ ብዛዕባ ስድራ ቤተይ ተሻቒለ ኣለኹ። ከምልጡ ዝኽእሉሉ መገዲ የብሎምን። ዝኾነ መጻኢ ኣይረኣየንን ኣሎ\" ይብል ። ሓደ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝዓዪ፡ ናይ ዓይኒ ምስክር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ሰራሕተኛታት መዓርፎ ነፈርቲ ጠረጴዛታቶም ስለዝሓደጉ እቶም ገያሾ ነቲ ባንኮታት ሰጎሮም ናብ ነፈርቲ ይጎዩ ስለዝነበሩ እቲ ኣዳራሽ \"ናብ ዕግርግር\" ከምዝተቐየረ ሓቢሩ። ጸኒሑ ሓደ በዓል ስልጣን ኔቶ፡ ካብ ካቡል ዝብገስ ዝንበረ ኵሉ ንግዳዊ በረራታት ከም እተቛረጸ ሓቢሩ። ዓቕሎም ዘጽበቡ ነበርቲ ካብ ካሽ ማሺን ገንዘብ ከውጽኡ ላዕልን ታሕትን ክብሉ፡ እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ከም ዘይፈልጡ ሰባት ናብ መሕብኢ ኣባይቲ ኪጕዩን ይረኣዩ። ኣፈኛ ጣሊባን ሱሃይል ሻሀን ኣብ ካቡል ዝነብሩ ሰባት፡ ብዛዕባ ህይወቶምን ንብረቶምን ክሻቐሉ ከም ዘይብሎምን ንቢቢሲ ሓቢሩ። ኣመሪካ፡ ነቶም ኣብ ተልእኾኣ ዝሓገዙዋ ኣፍጋናውያን ሰራሕተኛታታ ንምውጻእ ኣስታት 5,000 ወተሃደራት ኣዋፊራ ኣላ። ብሰንበት ንሰራሕተኛታት ኤምባሲ ዘመላልሳ ሄሊኮፕተራት ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ ክዝምብያ ይረኣያ ነይረን። ኣብ ቀጽሪ እቲ ኤምባሲ ኣገዳሲ ሰነዳት ይቃጸል ስለዝነበረ ብርቱዕ ትኪ ይረአ ነይሩ። ኣስታት 600 ወተሃደራት ብሪጣንያ እውን ካብቲ ከባቢ ናይ ምውጻእ ተልእኾኦም ንምፍጻም ተዋፊሮም ኣለዉ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ዓዲ እንግሊዝ ቦሪስ ጆንሰን እውን፡ ንዜጋታት እንግሊዝ ቀዳምነት ዝህቦ እኳ እንተኾነ ንኣስታት \"ን20 ዓመት ንጻዕሪ ዓባይ ብሪጣንያ ክሕግዙ ዝጽንሑ ኣፍጋኒስታንውያን ብዝተኻእለና መጠን ቀልጢፎም ንከውጽኡዎም ይጽዕሩ ከምዘለው ገሊጹ። ኩሎም ሓያላን ሓይልታት ሃገራት ብሓባር ኽዓዩን፡ ኩላቶም ከይተሰማምዑ ንዝኾነ ሓዲሽ መንግስቲ ኣፍልጦ ክህቡ ከምዘይብሎም ጸዊዑ። ካልኦት ሃገራት እውን ዜጋታተን ካብታ ሃገር የውጽኣን ኤምባሲታተን ይዓጽዋን ኣለዋ ። ሩስያ ብዛዕባ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘሎ ኵነታት ንምዝርራብ ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክካየድ ሓቲታ ኣላ። ብጣሊባን ናይ ጸጥታ ውሕስነት ስለዝተዋህባ ኤምባሲኣ ከምዘይትዓጽዎ እውን ገሊጻ ኣላ። መራሕቲ ጣሊባን ዝኾነ ዓመጽ ከምዘይፍጽሙን ዝዀነ ይኹን ካብታ ሃገር ክወጽእ ዝደሊ ሰብ ብደሓን ሰላም ንኪሓልፍ መገዲ ከምዝኸፍቱን ገሊጾም ነይሮም። ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከም ዝገልጽዎ፡ ወተሃደራት ጣሊባን ኣብ ገስጋሶም ከቢድ ተቓውሞ ከምዘየጋጠሞም ይሕብሩ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58227647"} {"headline":"ሓይልታት ጣሊባን ንካልአይቲ ዓባይ ከተማ ኣፍጋኒስታን ተቖጻጺሮም","content":"ወሃቢ ቃል ምክልኻል ሃገር ኣፍጋኒስታን ግን፡ ሓይልታት መንግስቲ ሕዚ’ውን ኣብ ውሽጢ እታ ከተማ ከምዝርከቡን ኣብ ቀረባ ‘ከምዝድምስዎምን’ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። እቶም ዕጡቓት፡ ዛራናጂ ዝተብሃለት ናይ ካልእ ግዝኣት ርእሰ ከተማ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝተቖጻጸሩ ኾይኖም፡ ርእሰ ከተማ ሓደ ክልል ኣብ ቁጽጽሮም ከውዕሉ ንካልኣይ ግዜኦም እዩ። ኣብታ ሃገር ውግእ ይቕጽል ዘሎ ኾይኑ፡ እዚ ናይ ሕዚ ግስጋሰ ናይቶም ተቓወምቲ ሓይልታት ንመንግስቲ ዓቢይ ጽፍዒት እዩ ተባሂሉ። ኣብ ሰሜንን [ኩንዱዝ] ኣብ ደቡብን [ጋሕ] ኣብ ገለ ከባብታት ድማ ሓያል ውግእ ይካየድ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ። ሓይልታት ጣሊባን ምውጻእ ወተሃደራት ኣመሪካ ስዒቡ፡ ሰፋሕቲ ገጠራት እታ ሃገር ኣብ ቁጽጽሮም ኣእትዮም’ዮም። ሐዚ ድማ ዓበይቲ ከተማታት ንምቁጽጻር ዓሊሞም ይንቀሳቐሱ ኣለዉ ተባሂሉ። እታ ሕዚ ኣብ ቁጽጽሮም ኣውዒሎምዋ ዘለዉ ርእሰ ከተማ ናይ ሓንቲ ክልል [ሸበርጋን] ምክትል ፕረዚደንት ኣፍጋኒስታን፡ ዓብዱል ራሺኡድ ዶስቱም ዝተወለደላ ከተማ ኮይና፡ ደገፍቱ ኣዝዮም ተዋጊኦም ተባሂሉ። ሓይልታት ጣሊባን መጀመርታ ናይቲ ኣመሓዳሪ መንበሪ ገዛ እዮም ተቖጻጺሮም ነይሮም፡ እንተኾነ፡ ሓይልታት መንግስቲ መሊሶም ተቐጻጻጺሮምዎ ተባሂሉ። እንተኾነ፡ ሓላፊ ቤት ምኽሪ እታ ከተማ፡ሕዚ እቶም ዕጡቓት መላእ እታ ከተማ ተቖጻጺሮምዋ ከምዘለዉ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ እዩ። ኣብ ገለ ወተሃደራዊ መዓስክራት ድማ፡ ሕዚ’ውን ሓያል ውግእ ይካየድ ከምዘሎ ወሲኹ ሓቢሩ። ወሃቢ ቃል ምክልኻል እታ ሃገር፡ ፋዋድ ኣማን ግን፡ ኣብዝሓ ከባባታት እታ ከተማ ኣብ ቁጽጽር ሓይልታት መንግስቲ ምዃኑ ንቢቢሲ ኒውስኣዎር ተዛሪቡ። ‘ነታ ከተማ ካብቶም ሓይልታት ራዕዲ ነጻ ክንገብራ ኢና” ዝበለ እቲ ወሃቢ ቃል፡ ገለ ክፋል እታ ከተማ ኣብ ኢዶም ዝወደቐ፡ ሞት ሰላማውያን ሰባት ንምንካይ ሓይልታት መንግስቲ ስለዘንሳሓቡ ምዃኑ ተዛሪቡ። ገለ ምንጭታት ካብቲ ምክልኻል እታ ሃገር ከምዝብልዎ፡ቢ-52 ተባሂለን ዝፍለጣ ነፈርቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጣሊባን መጥቃዕቲ ፈጺመን። ሓደ፡ ሓይልታት ጣሊባን ኣብታ ከተማ ካብ ዝተቖጻጸርዎ ፡ ቤት ማእሰርቲ ክኸውን እንከሎ፡ ገለ እሱራት ነጻ እንተውጽእዎም ዘርኢ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሑ ተራእዩ። ሓይልታት መንግስቲ፡ ብዙሓት ሓልታት ጣሊባን ምስ መራሕቶም ከምዝተቐትሉ ይገልጹ። ጣላቢን ነዚ ጸብጻብ፡ ሓሶት እዩ ክብል ይነጽጎ። ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር [ካቡል] ድማ፡ ንወሃቢ ቃል ነበር፡ ፕረዚደነት ኣሽራፊ ጋኒ፡ ኣጥቂዖም ቀቲሎምዎ። ኣብ መንበሪ ገዛውቲ ነቲ ተጠባባቒ ሚኒስተር ምክልኻል ሃገር’ውን ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ ፈጺሞም። ዕጡቓት ጣሊባን ገለ ኣዋሰንቲ ዶባት ውን ዝተቖጻጸሩ ኾይኖም፡ ብፍላይ ምስ ፓኪስታን ዘራኽብ ዶብ ዓጽዮምዎ ከምዘለዉ ይግለጽ። ሓደ ነባሪ ካንዳሃር ፡ “ናብ ፓኪስታን ንቐብሪ ኢና ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ መጺእና። ሕዚ ግን እቲ ዶብ ዕጽው እዩ። ኣብዚ ተቐሚጥና ኣላና። ገንዘብ ኮነ እንበልዖ መግቢ የብልናን” ክብል ንሮይተርስ ተዛሪቡ። ኣመሪካን እንግሊዝን ዜጋታቶም ነታ ሃገር ለቒቖም ክወጽኡ ኣጠንቂቐን ኣለዋ። ወታሃደራት ኣመሪካ ድሕሪ 20 ዓመት ካብ ኣፍጋኒስታን ምውጸኦም ስዒቡ፡ ዕጡቓት ጣሊባን ብናህሪ ንብዙሓት ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ምቁጽጻር ይርከቡ። ግስጋሰ እቶም ዕጡቓት ኣብ ዓለም ለኻዊ ጸጥታ ‘‘ዕንወት’’ ከውርድ ከምዝኽእል ድማ ሓደ ወታሃደራዊ ኣዛዚ ሓይልታት ኣፍጋኒስታን ገሊጹ፡፡ ሓይልታት መንግስቲ ግስጋሰ ጣሊባን ንምዕጋት ኣብ ዝቃለሱሉ ዘለዉ ኣብዚ እዋን፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣሽራፍ ጋኒ፡ ምኽንያት ምውሳኽ እቲ ኲናት፡ ሃንደበታዊ ምስሓብ ወታሃደራት ኣመሪካ እዩ ክብል ነቒፉ። ንሱ ኣብ ፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ‘‘ ነቲ ሐዚ ዘሎ ኩነታትና ምኽንያቱ፡ እቲ ውሳነ ሃንደበታዊ ምዃኑ እዩ’’ ኢሉ፡፡ ምስሓብ እቲ ሰራዊት ‘‘ሳዕቤን’’ ከምዘለዎ ንመንግስቲ ኣመሪካ ገሊጹ ምንባሩ እውን ፕረዚደንት ጋኒ ተዛሪቡ። ኣመሪካ ዋላ‘ኳ ዳርጋ ኩሎም ሰራዊታ ካብ ኣፍጋኒስታን እንተውጸአት፡ ንመንግስቲ ብምሕጋዝ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት መጥቃዕቲ ኣየር ተካይድ እያ ዘላ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ጎንጺ እንዳወሰኸ ብምኻዱ፡ ምስ ወተሃደራት ኣመሪካ ዝሰርሑ ዝነበሩ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ተወሰኽቲ ኣፍጋናውያን ናብ ኣመሪካ ከምዝግዕዙ ገሊጹ፡፡","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58135558"} {"headline":"ብምኽንያት ግስጋሰ ጣሊባን መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ሓድሽ ኢታማጆር ሸይሙ","content":"ሓይልታት ጣሊባን፡ ንዓበይቲ ከተማታት እናተቖጻጸሩ ናብ ማእከል ይግስግሱ ኣብ ዘለውሉ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ንኢታማጆጀር ሹም እታ ሃገር ብካልእ ሓድሽ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ተኪኡ። እቶም ዕጡቓት ብውሕዱ 9 ካብ 34 ክልላዊ ርእሰ ከተማታት ተቖጻጺሮም ኣለዉ። ትማሊ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ካንደሓርን ጋንዚኒን፡ ከቢድ ውግእ ነይሩ ተባሂሉ። ፕረዚደንት ኣሽራፍ ጋህኒ፡ ኣንጻር ሓይልታት ጣሊባን ምዃና ናብ እትፍለጥ ከተማ ማዛር-ኣይ-ሻሪፍ ክጉስጉስ ተንቀሳቒሱ ኣሎ። ከተምኦም ብኸመይ ክከላኸሉ ከም ዘለዎም፡ ምስ ገለ ዓበይቲ ዓድን መንግስታዊ መራሕቲ እቲ ከባቢ ድማ ዘትዩ ተባሂሉ። ኢታማጆር ሹም እታ ሃገር ጀነራል ዋሊ ሞሃመድ ኣህማድዚ ካብ ሓላፍነቱ ከም ዝተልዓለ ምንጭታት መንግስቲ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም። ንሱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ እዩ ኣብቲ ሓላፍነት ጸኒሑ። ንዕኡ ተኪኡ ዝተሾመ ድማ፡ ንግስጋሰ ሓይልታት ጣሊባን ንምግታእን እቲ ዘይምርግጋእ ደው ንምባልን ክሰርሕ ትጽቢት ይግበረሉ። ሃገራት ኣመሪካን ኣውሮጳን ድሕሪ 20 ዓመታት ሰራዊቶም ካብቲ ከባቢ ጠቅሊሎም የውጽኡ ኣለዉ። ክሳብ መጻኢ ወርሒ መስከረም ድማ ሰራዊቶም ወዲኦም ከውጽኡ መደብ ኣለዎም። ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሕለፈ ወርሒ ጥራይ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ተቐቲሎም። ካብቶም ምስ ፕረዚደንት ኣሻሪፍ ዝዘተዩ ሓደ ተወላዲ ዓሌት ኡዝቤክ ዝኾነ ኮማንደር ዓብዱል ራሺድ ዲስቱም \"ጣሊባን ናብ ሰሜን ብተደጋጋሚ ደፊኦም መጺኦም እዮም፤ እንተኾነ ኩሉ ግዜ እዮም ተስዒሮም ዝምለሱ\" ክብል ተሓንዩ። ፕረዚደንት ኣሽራፍ፡ ንዓመታት ነዞም መራሕቲ ሚሊሻ ንጎኒ ገዲፉ ገጽ ከሊኡዎም ከም ዝነበረ እዩ ዝዝረብ። ሕዚ ግና ኣብቲ ምክልኻል ሃገር ተስፋ እናቐበጸ ብምምጽኡ ናብኣቶም ገጹ መሊሱ ይርከብ ክብሉ ተዓዘብቲ ይገልጹ። ኩንዱዝ ኣብ ዝተባህለት ካልእ ርእሰ ከተማ ብኣማኢቲ ዝቑጸሩ ወተሃደራት ኢዶም ሂቦም ኣለዉ ተባሂሉ። እቶም ወተሃደራት ዝነበርሉ መዕርፎ ነፈርቲ ድማ ብዕጡቃት ታሊባን ተታሒዙ ኣሎ። ጋዝኒ ኣብ ዝተባህለት ካልእ ከተማ ድማ ብሸነኽ ምብራቅ ተኹሲ ከም ዝነበረ ምንጭታት ካብቲ ከባቢ ተዛሪቦም። ሓደ ኣመሪካዊ በዓል መዚ ንሲቢኤስ ከም ዝበሎ፡ ጣሊባን በቲ ሕዚ ዘሎ ግስጋሰኦም ኣብ 90 መዓልታት ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ክቆጻጸሩዋ ይኽእሉ'ዮም ኢሉ። ገለ ሰብ መዚ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ግን ሓይልታት ጸጥታ ንግስጋሰ ዕጡቓት ጣሊባን ኣይከሕልፍዎምን ክብል ንሮይተርስ ይገልጹ። ካብኣቶም ሓደ ኣማኻሪ እቲ ፕረዚደንት ዋሂድ ዖማር፡ \"ንዓና ከቢድ እዋን እዩ፤ ግን ኣይንሰዓርን\" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ወሲኹ ድማ፤ \"እቶም ዕጡቓት ገለ ከተማታት ይቆጻጸሩ ኣለዉ፤ እንተኾነ ግዝኣት ናይ ምሓዝ ጉዳይ ኣይኮነን፤ እቲ ህዝቢ ስለ ዘይደልዮም፤ ኣይክቕበሎምን\" ኢሉ። ኣብታ ካንዳሃር ዝተባህለት ካልኣይቲ ኣብ ከተማ እታ ሃገር፤ ኣብ ጎደናታት ውግእ ይካየድ ከምዘሎ፤ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ገሊጹ። ዳይሬክተር እቲ ማሕበር ሮበርት ማርቲኒ ብፍላይ ኣብ ከተማ ላሽካር ሬሳታት ኣብ ምልዓል ይቃለስ ከም ዘሎ ሓቢሩ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58156011"} {"headline":"ጣሊባን ተመሊሱ ፖለቲካዊ ስልጣን ምጭባጡ ዘሻቐላ ኣፍጋኒስታናዊት ጋዜጠኛ","content":"ደቂ ኣንስትዮ ክመሃራን ክሰርሓን ኣብ ዘይተባብዕ ስርዓት ጣሊባን ከምዝዓበየት እትገልጽ ኣፍጋኒስታናዊት ጋዜጠኛ ኣኒሳ ሸሃድ፡ ጣሊባን ዳግማይ ፖለቲካዊ ስልጣን እታ ሃገር ምርካቡ ሓሳብካ ብናጽነት ናይ ምግላጽ መሰል ኣብ ሓደጋ ከይኣቱ ሻቕሎት ከምዝፈጠረላ ንቢቢሲ ተዛሪባ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58156015"} {"headline":"ጣሊባን፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ጠቕሊሎም ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጽኡ ሓቲቱ","content":"ጉጅለ ጣሊባን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ በቲ ቅድም ኢሉ ዝተቐመጠ ግዜ ገደብ መሰረት ካብ ኣፍጋኒስታን ዘይወጽኡ ወተሃደራት ኣመሪካ ከም ወረርቲ ከምዝረአዩ ኣፍሊጡ። እዚ መግለጺ ዝወጽአ፡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ዲፕሎማስያዊ ልኡኽን መዕርፎ ነፈርቲ ካቡልን ንምሕላው ኣብኡ ክጸንሑ እዮም ምስተባሃለ’ዩ። ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ኣብቲ ከባቢ ንልዕሊ ዒስራ ዓመታት ወተሃደራት ኣዋፊሩ ዝነበረ ኾይኑ፡ ሕዚ ኣብ መወዳእታ ምዕራፍ በጺሑ ይርከብ። እንተኾነ፡ ምውጻእ ወተሃደራት ኔቶ ስዒቡ፡ ጉጅለ ጣሊባን ብዙሓት ከባብታት ዝሓዙ ኮይኖም፤ ዓመጻት በዚሑ ከምዘሎ ይዝረብ። ሓይልታት ኣፍጋኒስታን ሓለዋ ጸጥታ እቲ ከባቢ ንበይኖም ክዋጽእዎ ይፍትኑ ኣለዉ። ወሃቢ ቃል ጣሊባን፡ ሱሔል ሻሂን፡ ንርእሰ ከተማ ካቡል ምቁጻጽር ፖሊሲ እቲ ጉጅለ ከምዘይኮነ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ቀጠር (ኳታር) ዝርከብ ወተሃደራዊ ኣመራርሓ እቲ ጉጅለ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓሳብ ዝኾነ ይኹን ናይ ደገ ወተሃደር ኣብታ ርእሰ ከተማ ክጸንሕ የብሉን። ሻሒን “ንስምምዕ ዶሃ ብምጥሓስ ኣብታ ከተማ ወተሃደራት ዝገድፉ እንተኾይኖም ግን እንታይ ከም እንገብር መራሕትና ዝብልዎ ክንጽበ” ኢሉ። ጣሊባን፡ ኣብቲ ከባቢ፡ ንዲፕሎማት፣ ዓለም ለኸ ትካላት ኮነ ንወጻእተኛታት ዒላማ ከምዘይገብር’ውን ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ወተሃደራት ኣመሪካ፡ ባግራም ንዝተብሃለ ወተሃደራዊ መዓስክር ለቒቖም ምውጸኦም ታሪኻዊ ኢልዎ ነይሩ። ምስ ሓይልታት ጣሊባን ኣብ ዝተገብረ ስምምዕ ፤ ወተሃደራት ኣመሪካን ኔቶን ካብቲ ከባቢ ክወጽኡ ሓይልታት ጣሊባን ድማ፡ ከም ኣልቃይዳን ከምኦም ዝበሉ ኣኽረርቲ ጉጅለታትን ኣብቲ ንሳቶም ዝቆጻጸርዎ ከይንቀሳቐሱ ዝብል ይርከቦ። ምምሕዳር ጆ ባይደን ኣብ ወርሒ መስከረም፡ ቅድሚ መበል 20 ዓመት መጥቃዕቲ 9\/11 ዝኽበረሉ እዋን፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ጠቕሊሎም ንኸወጽእ ዝብል ይርከቦ ። ኣባል ቤት ምኽሪ ኣፍጋኒስታን ግን፡ እቲ ምልቃቕ ሓላፍነት ዝተኸተለ ኣይኮነን ይብል። ራዝዋን ሙራድ፡ ‘’መንግስቲ ንዝርርብን ዘተን ቅሩብ እዩ ፤ ሕዚ ጣሊባን እዩ ሓላፍነት ወሲዱ ክንቀሳቐስ ዝግበኦ’’ ኢሉ። ሻሂን ግን፡ ነቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዝረአ ዘሎ ናይ ሰላም ምዝራግ ኢድ የብሉን ይብል። ኣብዝሓ ከባብታት ኣብ ኢድ ጣሊባን ዝወደቑ፡ እቶም ወተሃዳራት ኣፍጋን ‘ኣይንታኾስን’ ኢሎም ምስ ወሰኑ ብዝተገብረ ዝርርብ እዩ ኢሉ። ጣሊባን ሕዚ ዳርጋ ርብዒ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ እዩ ዝገልጽ። እቲ ጉጅለ፡ እቲ መንግስቲ ምስ ጣሊባን ክዘራረብ ቅሩብ ኣይኮነን ዝብል ገምጋም’ዩ ዘለዎ። ኣብ 2001 ኣመሪካ እትመርሖም ሓይልታት ኔቶ፡ ንጉጅለ ጣሊባን ካብ ስልጣን ከምዘባረረ ዝዝከር እዩ። እቲ ጉጅል፡ ንዖስማን ቢን ላደን ኮነ ካልኦት መራሕቲ ኣልቃኢዳ ይሕግዝ ነይሩ ተባሂሉ እዩ ዝኽሰስ። ፕረዚደንት ኣፍጋኒስታን፡ እታ ሃገር ድሕሪ ሕዚ ሽግራት ጸጥታ ባዕሉ ናይ ምፍታሕ ተኽእሎ ከምዘሎ ተዛሪቡ ኣሎ። ተዓዘብቲ ግና ሓይልታት ጣሊባን፡ ደጊሞም ስልጣን ናይ ምሓዝ ተኽእሎ ከምዘሎ ይግምቱ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57718394"} {"headline":"ወተሃደራት ኣመሪካን ኔቶን ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጽኡ ጀሚሮም","content":"ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ክሳብ 11 መስከረም ካብ ኣፍጋኒስታን ጠቕሊሎም ክወጽኡ ብዝሃቦ ትእዛዝ መሰረት፡ እታ ሃገር ወተሃደራታ ብወግዒ ካብ ኣፍጋኒስታን ከተውጽእ ጀሚራ። ወተሃደራት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክን (ኔቶ) ወተሃደራት ኣመሪካን ንኣስታት 20 ዓመታት ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣንጻር ጣሊባን ኵናተ ከካይዱ ድሕሪ ምጽናሕ እዮም ክሳብ 11 መስከረም ኣብ ዘሎ ግዜ ጠቕሊሎም ክወጽኡ ወሲኖም ዘለዉ። ሰበ-ስልጣን ኣፍጋኒስታን ግን ጣሊባን ድሕሪ ምውጻእ ሰራዊት ኔቶን ኣመሪካን ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ከይወስድ ስግኣት ኣለዎም። ሰራዊት ጣሊባን፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንዓለምለኻውያን ሰራዊት ዕላማ ከይገብሩ ዝኣተውዎ ውዕል፡ ከምዘፍረስዎን ብእኡ ከምዘይቕየዱን ኣጠንቂቖም እዮም። ብመሰረት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሞንጎ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበረ ዶናልድ ትራምፕን ጣሊባንን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ እቶም ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ ዓለምለኻውያን ወተሃደራት 1 ግንቦት 2021 ጠቕሊሎም ክወጽኡ፡ ክሳብ ዝወጽኡ ከኣ ጣሊባን ኣብ ልዕሊኦም ዝኾነ መጥቓዕቲ ከይፍጽሙ እዮም ክታሞም ኣንቢሮም። ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ እቲ ውዕል ኣብቲ ዝተብሃሎ መዓልቲ ክፍጸም ከምዘይክእል ኣቐዲሙ ሓቢሩ ነይሩ እዩ። ቅድሚ ሓደ ወርሒ'ውን ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ ምስቲ ቅድሚ ዕስራ ዓመታት ኣብ 11 መስከረም 2001 ኣልቃዒዳ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ዝፈጸሞ መጥቓዕቲ ንኽሳነ ብምባል፡ ሰራዊት ኣመሪካ 11 መስከረም 2021 ካብ ኣፍጋኒስታን ጠቅሊሉ ከምዝወጽእ ኣፍሊጡ። ክሳብ 1 ግንቦት ኣብ ዝነበረ ግዜ ሰራዊት ጣሊባን፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ እስላማውያን ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ መዓስከራት ኣመሪካ መጥቃዕቲ ከይፍጽሙ ክከላኸል ምጽንሑ ሰብ መዚ ኣፍጋኒስታን ንሮይተርስ ሓቢሮም። ውሃቢ ቃል ጣሊባን፡ ሰራዊት ኣመሪካ ብመሰረት ውዕሉ ኣብ መዓልቱ ክወጽእ ዘይምኽኣሉ \"ንዓና [ጣሊባን] ኣንጻር እቶም መሬትና ሒዞም ዘለዉ ሰራዊት ባዕዲ ተመጣጣኒ መልሰ መጥቓዕቲ ንኽንፍኑ ዕድል ዝፈጥር እዩ\" ኢሉ። ንሱ ብምስዓብ፡ ሰራዊት ጣሊባን መጥቃዕቲ ቅድሚ ምጅማሩ ካብ መራሕቱ ሓበሬታ ከምዝጽበ'ውን ኣተንቢሁ። ገለ ተንተንቲ ፖለቲካ እቲ ዞባ፡ ኣመሪካ ብምሰረት እቲ ዝኣተወቶ ውዕል ሰራዊታ ዘይምውጽኣ ጣሊባን መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ክፍኑ ከምዘኽእል ይገልጹ። 11 መስከረም 2001 ኣብ ኣመሪካ ብዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 3000 ሰለማውያን ሰባት ሞይቶም። ላዕለዋይ መራሒ እስላማዊ ጉጅለ ዓልቓዒዳ ዝኾነ ዖሳማ ቢን ላደን ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ከምዝወስደሉ ኣፍሊጡ። እቲ ኣብ ፍጋኒስታን ዝርከብ ጣሊባን፡ ንቢን ላደን ንኣመሪካ ከረክቦ ዝቐረበሉ ጻውዒት ነጺግዎ። ድሕሪ ሓደ ወርሒ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ እታ ሰራዊት ጣሊባን ዝርከቡላ ኣፍጋኒስታን ደብዳብ ነፈርቲ ጀሚራ። ካልኦት ሃገራት ኣብ ጎኒ ኣመሪካ ብምዃን ነቲ ኵናት ምስ ተጸንበረኦ ጣሊባን ቀልጢፉ ካብ ስልጣን ተኣልዩ። እንተኾነ ጣሊባን ካብ ስልጣን ደኣ ተኣልዮም'ምብር ጠቅሊሎም ኣይጠፍኡን። ኣመሪካን መላፍንታን፡ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ነቲ ብጣሊባን ዝወርዶ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ተጻዊሩ ከም መንግስቲ ደው ንኽብል ኣብ ጎኑ ተሰሊፈን ክሕግዝኦ ጸኒሐን። ኣብ ሞንጎ ጣሊባንን መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ተበጺሑ ዝነበረ ውዕል ፈሪሱ ንሓድሕዶም ኣብ ዝጠቓቕዕሉ ዘለዉ እያ ኣመሪካ ሰራዊታ ካብ ኣፍጋኒስታን ከተውጽእ ጀሚራ ዘላ። ኣብ ዞባ ጋዝኒ ብለይቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቁጽሮም ዘይተገለጸ ሰባት ንኽሞቱ ምኽንያት ኮይኑ እዩ። ብዓርቢ'ውን ኣብ ዞባ ሎጋር ኣብ መኪና ብዝተጻወደ ቦንባ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣስታት 30 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ዝበዝሑ ተማሃሮ ዝርከብዎም ልዕሊ 110 ሰባት ቆሲሎም። ፕረዚደንት ኣፍጋኒስታን ኣሽራፍ ግሃኒ ሰራዊት እታ ሃገር ካብ ዝኾኑ ዓለወኛታት ክፍጸም ንዝኽእል መጥቃዕቲ ድሉው ከምዘሎ ገሊጹ። እቲ ፕረዚደንት፡ ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካን ኔቶን፡ ጣሊባን ቃልሲ ንኽቅጽል ምኽንያት ዝኸልእ'ዩ ኢሉ። \"ንመን ኢኹም ክትቐትሉ? እንታይ ኢኹም ከተዕንዉ? ኣንጻር ሰራዊት ወጻኢ መጥቃዕቲ ንኽትፍጽሙ ምኽንያት ዝኾነኩም ዝነበረ ነገር ሕጂ ኣኽቲሙ'ዩ\" ኢሉ። ኣብ ካቡል ዝመደበራ ናይ ውልቂ መደበር ራድዩ እትሰርሕ መና ኖወሮዚ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃበቶ ቃል \"ናብቲ ጸላም ዝኾነ እዋን ጣሊባን ከይንምለስ ኩሉ ስግኣት ኣለዎ\" ኢላ። ንሳ ብምስዓብ \"ጣሊባን ከምቐደሞም እዮም ዘለዉ ኣይተቐየሩን፡ ሰራዊት ኣመሪካ ብውሑዱ ንሓደ ክልተ ዓመት ክጸንሑ ነይርዎም\" ኢላ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56958709"} {"headline":"ትራምፕ፡ ምስ ጣሊባን ብዝተገብረ ስምምዕ ኩናት 18 ዓመት ከብቅዕ’ዩ","content":"ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣመሪካ ምስ ጣሊባን ናይ ሰላም ስምምዕ ምስፈረመት፡ \"ሰብና ንዓዶም ዝምለሱሉ ግዜ ኣኺሉ እዩ\" ክብል ተዛሪቡ። እቲ ስምምዕ ሰላም ኣብ ኣፍጋኒስታን ሰላም ከረጋግጽ ዓቢ ተስፋ ከምዘለዎ እውን ሓቢሩ። ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ምስ መራሕቲ ጣሊባን ኣብ ቀረባ ግዜ ክራኸብ ምዃኑ ሓቢሩ'ሎ። ኣበይን መዓስን ግን ኣይገለጸን። ኣብ ዝመጽእ ግንቦት 5ሽሕ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ንኣመሪካ ክኣትዉ እዮም። ኣመሪካን መሻርኽታ ሓይልታት ኔቶን ኣብ ዝመጽእ 14 ኣዋርሕ ኩሎም ኣብ ኣፍጋን ዝተዋፈሩ ሰራዊት ንክስሕቡ ታሪኻዊ ስምምዕ ከምዝፈረሙ ሓቢሮም። ጣሊባን፡ ዛጊት ምስ ኣመሪካ እምበር ምስ መንግሰቲ ኣፍጋኒስታን ናይ ሰላም ዝርርብ ኣየካየደን። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ምስ ኣመሪካ ዝተገብረ ናይ ሰላም ስምምዕ፡ ጣሊባን ኣብቲ ዝቆጻጸሮ ቦታ ንኣልቃዒዳን ካልኦት ጥሩፋት ሓይልታት ከይዕስክሩን ከይንቀሳቐሱን ተሰማሚዑ ኣሎ። ምስ መንግስቲ ኣፍጋን ከኣ ኣብ ዝቕጽል ግዜ ዝርርብ ከምዘካይድ ተገሊጹ። እቲ ናይ ሰላም ዝርርብ ኣፍጋኒስታን ኣመሪካ ድሕሪ ፍጻሜ መስከረም 2001 ኣብ ኣፍጋኒስታን ዓስኪሩ ንዝነበረ ኣልቃዒዳ ክሃድን ንኣፍጋኒስታን ኣትዩ። እቲ ካብ ስልጣን ተዓልዩ ኣብ በረኻታት ኣፍጋን ክቃለሱ ዝጸንሐ ጣሊባን ኣብ 2018 ዳርጋ ንኽልተ ሲሶ እታ ሃገር ተቖጻጺሩዋ ይርከብ። ኣመሪካ ንኣልቓዒዳን ጥሩፋት ሓይልታት ምስልምናን ክትዋጋእ ንኣፍጋኒስታን ካብ ዝኣተወትሉ ግዜ ክሳብ ሕጂ 2,400 ወተሃደራት ኣመሪካ ተቐቲሎም። ኣስታት 12ሽሕ ከኣ ኣብታ ሃገር ዓስኪሮም ኣለው። ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝገበሮ መደረ \"ህዝቢ ኣመሪካ ብደምን ሃብትን ክቡር ዋጋ ኸፊሉ እዩ\" ብምባል ንሰክሬታሪ ማይክ ፖመፐዮን ንምኒስተር ምክልኻል ማርክ ኢስፐር ዮሃና ኢሉዎም። ጣሊባን ካብ ነዊሕ ግዜ ምስ ኣመሪካ ናይ ሰላም ዘተ ከካይዱ ጽዒሮም እዮም። \"ኩሉ ወገን ብኩናት ደኺሙ እዩ\" ስለዚ ኣብቲ ናይ ሰላም ዝርርብ እምነት ኣሎኒ ኢሉ ትራምፕ። ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ኣፍጋኒስታን ብዙሓት ጸላእቲ ኣመሪካ ሓይልታት ቀቲሉ እዩ። ሕጂ ግን እቲ ዝዓበየ ክፋል ኣፍጋኒስታን ተቖጻጺሩ ዘሎ ጣሊባን ነቲ ናይ ሰላም ውዑል ብምኽባር ግዝኣቱ ክቆጻጸር እዩ። እንተደኣ ካብ ትጽቢት ኣመሪካ ወጻኢ ዝኾነ ሕማቕ ነገር ተኸሲቱ ግን \"ኣመሪካ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ሓይሊ ንኣፍጋኒስታን ክትምለስ ትኽእል እያ\" ክብል ኣጠንቂቑ። እቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ብወገን ኣመሪካ ፍሉይ ልኡኽ ዛላሚይ ካሊዛድ ብወገን ጣሊባን ከኣ ፖለቲካዊ ሓላፊ ሙላሕ ዓብዱል ጋኒ ባራዳር ኣብ ደውሓ ቐጠር እዩ ተፈሪሙ። እቲ ከም ምስክር ዝተሳተፈ ሚስተር ፖምፐዮ ከኣ ንጣሊባን ኣብ ግዝኣትኩም ኣልቓዒዳ ንኸየንቀሳቐስ ክቆጻጸሩ ንዝኣተዉዎ መብጽዓ ከኽብሩ ኣዘኻኺሩ። እቲ ስምምዕ እንታይ እዩ ዘጠቓልል? ኣብ ርእሲ እቲ ምስሓብ ሰራዊት ኣመሪካን መሻርኽቲ ሓይልታትን ናይ ምሩኻት ምቅይያር ክግበር እዩ። ኣስታት 5ሽሕ ምሩኻት ጣሊባን ምስ ሓደ ሽሕ ሓይልታት ጸጥታ ኣፍጋንን ብ10 መጋቢት ክለዋወጡ እዮም። ብድሕሪኡ ኣብ መንጎ ጣሊባንን መንግስቲ ኣፍጋንን ዝርርብ ሰላም ክጅመር እዩ። ኣመሪካ ኣብቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ዘካየደቶ ኩናት ኣብ ርእሲ እቲ ሰብኣዊ ክሳራ ኣስታት $500 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ገንዘብ ኣጥፊኣ። ኣብ ለካቲት 2019 ኣስታት 32,000 ሲቪል ኣፍጋን ከምዝሞቱ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የረድእ። ካብ ብራውን ዩኒቨሪሲቲ ዋትሶን ኢንስቲትዩት ዝተባህለ ትካል 58,000 ሓይልታት ጸጥታ ኣፍጋንን 42,000 ተቓወምቲ ሓይልታትን ከምዝሞቱ ይሕብር።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51694943"} {"headline":"ውዕል ሰላም ዝፈረመ ጣሊባን መጥቃዕቲ ክፍጽም ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ","content":"ጉጅለ ጣሊባን፡ ኣብ ልዕሊ ወታሃደራት መንግስቲ ኣፍጋኒስታን መጥቃዕቲ ክፍጽም ምዃኑ ኣጠንቂቑ። ብቀዳም ስምምዕ ሰላም ዝፈረመ ጣሊባን፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲታት እዩ ነዚ መግለጺ ሂቡ ዘሎ። እቲ ውዕሊ፤ እቲ ጉጅለ ምስ መንግስቲ ኣፍጋኒስታ ቀጻሊ ዘተ ሰላም ምክያድ ዝሓውስ ኮይኑ፡ ቅድሚ እቲ ውዕል ምፍራሙ ጎንጺታት ነክዮም ነይሮም። ወሃቢ ቃል እቲ ጉጅለ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ ብመንግስቲ ኣፍጋኒስታን ዝተኣሰሩ ኣስታት 5 ሽሕ ኣባላቱ እንተዘይተፈቲሖም፡ እቲ ዘተ ሰላም ከም ዘይቅጽል ገሊጹ። ጣሊባን፡ ምፍታሕ እቶም እሱራት ኣካል እቲ ዝሓለፈ ቀዳም ብምትሕብባር ኣመሪካ ኣብ ቀጠር ዝተፈረመ ስምምዕ ከም ዝኾነ ይገልጽ፡ ፕሬዚደንት ኣፍጋኒስታን ኣሽራፍ ጋህኒ ግን ከምኡ ዓይነት ስምምዕ ከም ዘይነበረ ገሊጹ። ምፍታሕ እቶም እሱራት ኣብ ድልየት ህዝቢ ኣፍጋኒስታን ዝምስረት እምበር፡ ዘተ ንምክያድ ከም ቅድመ ኩነት ክቕመጥ ዝኽእል ከም ዘይኮነ ፕረዚደንት ጋህኒ ተዛሪቡ። ምስ መንግስቲ ኣመሪካ ተዛትዩ ውዕል ሰላም ዝፈረመ ጉጅለ ጣሊባን፡ ኣብ ልዕሊ ወታሃደራት መንግስቲ እምበር ኣብ ልዕሊ ሓይሊታት ወጻኢ መጥቃዕቲ ከም ዘይፍጽም ኣብቲ ትማሊ ሶኒ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ወሃቢ ቃል ብተወሳኺ፡ ኣብ ጉዳይ ኣፍጋኒስታን ምስ መንግስቲ ክዛተ ድልየት ከም ዘለዎን፡ እንተኾነ እቶም እሱራት እንተዘይተፈቲሖም ግን ከም ዘይዛተ ኣፍሊጡ። ኣስታት 10 ሽሕ ኣባላት ጣሊባን ብመንግስቲ ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ይግለጽ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዝተፈረመ ስምምዕ፡ ጣሊባን ነቲ ውዕል እንተተቐቢሉ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኣስታት 12 ሽሕ ወታሃደራት ኣመሪካን ኔቶን ኣብ ውሽጢ 14 ኣዋርሕ ነታ ሃገር ገዲፎም ክወጽኡ ዝሓውስ እዩ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51716838"} {"headline":"‘ንወላዲተይ ክልተ ሳዕ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክቐትልዋ ፈቲኖም’","content":"ሹህራ ኩፊ፡ ኣዝያ'ያ ተስፋ ቆሪጻ ነይራ። ምስታ ንኽልተ እብረ ኣባል ፓርላማ ኣፍጋኒስታን ኮይና ዘገልገለት ኣዲኣ፡ ብመኪና ናብ ካቡል [ርእሰ ከተማ ኣፍጋኒስታን] እናተጓዓዛ ከለዋ ብዝተተኮሰለን ጥይት ኣዲኣ ተሃሪማ። ሹህራ፡ \"ንስኺ ዘይብሉ እንታይ ክኸውን'የ\" ብምባል ኣዲኣ ፎዚያ ኩፊ ከይትጠልማ ተማሕጺና። \"ኣደይ ዝሞተት መሲሉኒ ኣዝየ እየ ሰንቢደ፤ ደሓር ግን ሓገዘይ የድልያ ስለዝነበረ ርእሰይ ክገትአ ፈቲነ\" ትብል ሹህራ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዘጋጠመ ፈተነ ቅትለት ንቢቢሲ ክትገልጽ ከላ። ፎዝያ ኩፊ፡ ነቓፊት ኣኽረርቲ ኣፍጋናውያን ኮይና ምስ ጣሊባን ኣብ ዝተኻየዱ ዘተ፡ ብትራ ፍልጥቲ እያ። ፎዝያ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ህይወታ ክልተ ጊዜ ፈተነ ቅትለት ክካየደላ እንከሎ፡ ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚ ጓላ ሹህራ ምስኣ ኔይራ። ኣብ 2010፡ ኣድብዩ ብዝጸንሐ ሓይሊ ጣሊባን እዩ መጥቃዕቲ ተኻይዱላ፤ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ብጥይት ዝሃረማ ግን ጌና ኣይተፈለጠን ኣሎ። 14 ነሓሰ፡ ሹህራን ኣዲኣን ኣብ ዞባ ፓርዋን ምብጻሕ ድሕሪ ምክያድ ናብ ካቡል ይምለሳ ኣብ ዝነበራሉ እዋን፡ ክልተ መካይን ይስዕበዐን ከም ዘለዋ ኣስተውዓላ። \"ቀቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ ሓንቲ ጸላም መኪና ቀዲማትና ሓለፋ፤ ሽዑ ብድሕሪት በቲ ኣደይ ብዝነበረትሉ ሸነኽ ድምጺ ጠያይቲ ሰሚዕና\" ትብል ሹህራ፤ ክልተ ጊዜ ከም ዝተተኮሰለንን እታ ቀዳመይቲ ነታ መኪና ከም ዝሰሓተትን ብምግላጽ። ሹህራ ኣብ ጎኒ ፎዚያ ኣብ ድሕሪት እያ ኮፍ ኢላ ነይራ። እቲ መራሒ መኪና ከምልጥ ኣብ ዝፍትነሉ ዝነበረ እዋን፡ ነዲኣ ክትሽፍን ከም ዝፈተነትን ኣብቲ ትሕቲ እቲ ኮፍ መበሊ በጥ ክትብል ከም ዝነገራታን ትዛረብ። \"ደጊሞም ከይትኩሱልና ክነምልጥ ነይሩና\" እትብል ሹህራ ነቶም ኣጥቃዕቲ ከም ዘይረኣየቶም ገሊጻ። ኣብ 2010'ውን ናነጋረሃር ኣብ ዝተባህለ ዞባ ኣፍጋኒስታን ፎዝያን ሹህራን ብመኪና ይንቀሳቐሳ ነይረን። ኣብቲ እዋን ፎዝያ ኣባል ፓርላማ ዝነበረት ኮይና፡ ነቲ ናይቲ እዋን ፕረዚደንት ኣፍጋኒስታን ሓሚድ ካርዛይ መሻርኽቲ እያ ነይራ። ኣድብዮም ዝጸንሑ ሓይልታት ጣሊባን ኣብ ልዕሊ እተን ንፎዝያ ዝዕጅባ ዝነበራ መካይን መጥቃዕቲ ኣካይዶም። ሹህራ ኣብቲ እዋን ጓል 10 ዓመት ጥራይ እያ ነይራ። \"ኣብ ድሕሪት ኣብ መንጎ ኣደይይን ሓፍተይን ኮፍ ኢለ ኔይረ፤ እቲ ዘየቋርጽ ቶክሲ ክሳብ ሎሚ ካብ ኣእምሮይ ኣይሃሰሰን\" ትብል። ጣሊባን ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ እዩ። እዚ ነቲ ኩነት ንምቕባሉ ቀሊል ከም ዝገብሮ ሹህራ ትዛረብ። \"ናይቲ ካልኣይ መጥቃዕቲ ዝኾነ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል ዘይምህላው ነቲ ስድራ ኣብ ሻቕሎት ሸሚሙ ኣሎ\" ትብል።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54039986"} {"headline":"ኣመሪካ፡ ስለምንታይ እዩ ትራምፕ ምስ ጣሊባን ክካየድ ዝተወጠነ ስምመዕ ሰላም ሰሪዙዎ?","content":"ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ ዕጡቓት ጣሊባን ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ምስጢራዊ ስምምዕ ሰላም ሰሪዝዎ። እቲ ስምምዕ 18 ዓመታት ንዝገበረ ኲናት ኣሜሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን መዕለቢ ክኸውን ተስፋ ተነቢሩሉ ነይሩ። እቲ ፕረዚደንት፡ ሰንበት፡ ምስ ፕረዚደንት ኣፍጋኒስታን ኣሽራፍ ጋኒ ከምኡ'ውን ላዕለዎት መራሕቲ ጣሊባን ክራኸብ ተዳልዩ ምንባሩ ብትዊተር ሓቢሩ። እንተኾነ ግና ዕጡቓት ጣሊባን ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደን ሓደ ኣሜሪካዊ ወተሃደር ዝቐተለን መጥቃዕቲ ከም ዘካየድዎ ድሕሪ ምእማኖም፡ ትራምፕ፡ ነቲ ኣብ ካምፕ ዴቪድ ክካየድ ዝተመደበ ምስጢራዊ ርክብ ሰሪዝዎ። ኣሜሪካን ወኪላት ጣሊባንን ኣብ ዶውሓ ቐጠር፡ ንሓያሎ ግዜ ክራኸቡ ጸኒሖም እዮም። ኣብ ደውሓ ዝርከብ ፓለቲካዊ ቤት ጽሕፈት እቲ ጉጅለ፡ ንውሳነ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣመልኪቱ \"ህጹጽ ርክብ\" ከም ዘካይድ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ። ስርዓት ጣሊባን ንኣልቃዒዳ ይተሓጋገዝ እዩ ብዝብል ምኽንያት፡ ኣሜሪካ ብ 11 መስከረም 2001 ንኣፍጋኒስታን ብምውራር እዩ እቲ ጉጅለ ካብ ስልጣን ተዓልዩ። ትራምፕ ብሰንበት ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ \"ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ብሓሶት ጽልዋ ንምሕዳር [ጣሊባን] ነቲ ንሓደ ካብ ብሉጻት ወትሃደራትና ዝቐተለ መጥቃዕቲ ከም ዘካየዶ ተኣሚኑ ኣሎ\" ኢሉ። እቲ ኣብ ክንዲ ኣብ ዘተ፡ ኣብ ሓይልን ቅትለት ምስ ዝዋፈሩ ሰባት ዘተ ኣይሰልጥን'ዩ ዝብል ትራምፕ \"እቲ ናይ ሰላም ዘተ ሰሪዘዮ ኣለኹ\" ኢሉ ጽሒፉ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49624938"} {"headline":"ኲናት ኣፍጋኒስታን፡ ምስ ጣሊባን 'ታሪኻዊ' ዘተ ይካየድ ኣሎ","content":"ኣብ መንጎ መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ጉጅለ ጣሊባንን ክካየድ'ዩ ዝተባህለ ዘተ ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ምድንጓይ ኣብ ቀጠር ጀሚሩ። ኣብ ጽምብል መኽፈቲ እቲ ዘተ ንምስታፍ ናብ ዶሓ ዘምርሐ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐዮ ነቲ ዘተ \"ታሪኻዊ\" ክብል ገሊጽዎ። እቲ ዝርርብ ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ጣሊባንን ዝተበጽሐ ናይ ጸጥታ ስምምዕ እዩ ክጅምር ነይርዎ። ኣብ ጉዳይ ምልውዋጥ እሱራት ዝጸንሐ ዘይምርድዳእ፡ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይምርግጋእ ተወሲኽዎ ነቲ መስርሕ ከጓትቶ ጸኒሑ። ወኪል መንግስቲ ኣፍጋኒስታን፡ ብዓርቢ 11 መስከረም ናብ ዶሓ ኣምሪሑ። ኣብታ ዕለት ቅድሚ 19 ዓመት፡ ጣሊባን ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ሓያል መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ፍጻመ ንምብቃዕ መሪሕነት ጣሊባን ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣስዒቡ እዩ። መራሒ እቲ ጉጅለ፡ ኣብዱላ ኣብዱላ፡ \"ንፍትሓውን ግሩም ሰላም\" ከም ዘንቀዱ ተዛሪቡ። ጣሊባን፡ ብሓሙስ ናይ መወዳእታ ሽዱሽተ እሱራቱ ምስ ተፈትሑ፡ ኣብቲ ኣኼባ ከም ዝሳተፍ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ካብቲ ርክብ እንታይ ክንጽበይ ንኽእል? እዚ ፈላሚ ኣብ መንጎ ጣሊባንን ወከልቲ መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ዝግበር ርክብ እዩ። እቶም ዕጡቓት፡ እቲ መንግስቲ ዓቕሚ ዘይብሉን ናይ ኣሜሪካ መሳርሕን እዩ ብምባል ምስቲ መንግስቲ ምርኻብ ክነጽጉ እዮም ጸኒሖም። ክልቲኦም ወገናት፡ ንፖለቲካዊ ዕርቅን ነቲ ኣብ 1979 ብወራር ሶቭየት ሕብረት ዝጀመረ ንዓመታት ዝዘለቐ ጎንጺ መዕለቢ ክገብሩሉ ይደልዩ። እቲ ርክብ ኣብ መጋቢት ክካየድ እኳ እንተነበሮ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ስምምዕ ኣሜሪካን ጣሊባንን ዝተበጽሐ ምልውዋጥ እሱራት ዝተላዕለ ዘይምርድዳእን ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይምርግጋዕን ክሰጋገር ጸኒሑ። እቲ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ጣሊባንን ዝተበጽሐ ስምምዕ ርእሱ ዝኸኣለ እኳ እንተኾነ ምስዚ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ግና ይግለጽ። ኣብቲ ስምምዕ ጣሊባን ውሕስነት ጸረ-ግብረሽበራ ክህብ ኣምሳይኡ ድማ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብታ ሃገር ዝስሕቡሉ ሰሌዳ ተቐሚጡ ኣሎ። እቲ ስምምዕ ናይ መወዳእታ መልክዑ ንኽሕዝ ልዕሊ ዓመት ከም ዝወሰደሉን፡ እዚ ኣብ መንግስትን ጣሊባንን ዝግበር ርክብ ድማ ዝተሓላለኸን ዝያዳ ግዜ ዝወስድን ከም ዝኸውን ይግመት። ብዙሓት ድማ ኣብቲ መስርሕ እቲ ኣብ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝተረኽበ ተነቃፊ ግስጋሰ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ከም ዝኽእል ይዛረቡ። እቲ ርክብ ንጣሊባን እውን፡ ነታ ሃገር ዝጭበጥ ፖለቲካዊ ራእይ ሒዙ ክቐርብ ስለዝጠልብ በዳሒ ክኸውን እዩ። ዛጊት \"እስላማዊ\" ግን ከኣ \"ኣሳታፊ\" መንግስቲ ከም ዝደልይ ዝገልጽ ጣሊባን ብንጹር መርገጺኡ ኣይፍለጥን። እቲ ዝርርብ፡ እቲ እስላማዊ ጉጅለ ካብቲ ነተ ሃገር ብጽኑዕ ሕጊ ሸሪዓ ዝመርሓሉ 1990ታት ክሳብ ክንደይ ከም ዝተለወጠ ከርእይ ክኽእል እዩ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54129958"} {"headline":"ጆ ባይደን፡ 'ምስ ኣፍጋኒስታን ክንተሓጋገዝ ኢና፡ ወተሃደራዊ ግን ኣይኮነን'","content":"ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ጠቕሊሉ ምስ ወጽአ ኣመሪካ ንኣፍጋኒስታን ምሕጋዝ ከም ዘይተቋርጾ ተመጻቢዑ። እንተኾነ እቲ ሓገዝ ወተሃደራዊ ከም ዘይከውን ኣነጺሩ። ጆ ባይደን ካብቲ ኣመሪካ ኣብ 2001 ኣብ ልዕሊ ጣሊባን ደብዳብ ከተካይድ ትእዛዝ ዝተዋህሉ ዋይት ሃውስ ኮይኑ \"እቲ ኣመሪካ ንነዊሕ ግዜ ከተካይዶ ዝጸንሐት ኵናት ከብቅዕ'ዩ\" ከብል ተዛሪቡ። ሰብ መዚ ኣመሪካ ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ምስቲ ኣብ ልዕሊ ትሬድ ሴንተርን ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ (ፔንታጎን) ኣብ 11 መስከረም 2001 መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ዕለት ንክሳነ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን 11 መስከረም 2021 ከም ዝወጽእ ሓቢሮም። ኣብ ኣፍጋኒስታን 9600 ሰራዊት ኔቶ ከም ዘለውን ካብኦም 2500 ሰራዊት ኣመሪካ ምዃኖም እዩ ዝጥቀስ። ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝተዋፈረሩ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክብ ለጠቅ ክብል ዝጸንሐ ኮይኑ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ኣብ ኣፋጋኒስታን 3500 ሰራዊት ኣመሪካ ከም ዘሎ ይጠቅሳ። ሰብ መዚ ኣመሪካን ኔቶን ግን ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከብ ጣሊባን ካብ ተጻባኢ ባህሪኡ ገና ከም ዘይተቆጠበ ይሕብሩ። ሰብ መዚ ኣፍጋኒስታን ብወገኖም እቲ ምስሓብ ሰራዊት ኣመሪካ ክሳብ ዝፍጸም ምስ ጣሊባን ሰላማዊ ዘተ ንክገብሩ ጻዕሪ ክንገብር ኢና ኢሎም። ፕረዚደንት ኣፍጋኒስታን ኣሽራፍ ጋህኒ ብረቡዕ ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ብቴሊፎን ከም ዝተዘራረብ ብትዊትር ሓቢሩ ኣሎ። ንሱ \"ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ክትወጽእ ንዝወሰደቶ ውሳነ ነኽብሮ ኢና፤ ልሙጽ ዝኾነ ምርኽካብ ንክህሉ ኸኣ ምስ መሻርክትና ኣመሪካ ብሓባር ክንሰርሕ ኢና\" ኢሉ። ፕረዚደንት ኣሽራፍ ጋህኒ ብምስዓብ \"ሰራዊት ኣፍጋኒስታን ንህዝቡን ሃገሩን ንክኸላኸል እኹል ዓቕሚ ኣለዎ\" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። ጆ ባይደን ነቲ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘካይዶ ዘሎ ኵናት ብፕረዚደንትነት ዝመርሐ ራብዓይ ፕረዚደንት ኣመሪካ እዩ። ንሱ \"ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘለና ህላወን ከነናውሖ ወይ ከነስፍሖ ኣይንኽእል\" ኢሉ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብምስዓብ \"ኣብ ኣፍጋኒስታን ወተሃደራዊ ህላወ ድኣሉ ዘይህልወና'ምብር ምስ ኣፍጋኒስታን ዝህሉ ዲፕሎማስያዊ ርክባትን እንህቦ ሰብኣዊ ሓገዛትን ክቅጽል እዩ፤ ብወተሃደራዊ ግን ኣይኮነን\" ኢሉ። ጆ ባይደን ን300 ሽሕ ሰራሕተኛታት ኣፍጋኒስታን ዝውሃብ ሓገዛት ከም ዝቅጽል'ውን ተመባጺዑ። \"ቅድሚ 20 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ዘሰንብድ ግበረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ስለ ዝተፈጸመ ኢና ናብ ኣፍጋኒስታን ሰራዊት ኣዋፊርና\" ድሕሪ ምባል \"ክሳብ 2021 ንምንታይ ኣብኡ ጸኒሕና ግን ምኽንያታዊ ኣይኮነን\" ኢሉ። ባይደን ብምስዓብ \"ኣመሪካ ቅድሚ 20 ዓመታት ክትጥቃዕ እንከላ ዘይተወለዱ ወይ'ውን ህጻናት ብምንባሮም ዘይዝክርዎ'ዮም ሕጂ ሰራዊት ኮይኖም ኣብ ኣፍጋኒስታን ተዋፊሮም ዘለዉ\" ብምባል ንንውሓት ናይቲ ኵናት ኣረዲኡ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ረቡዕ ኣማስይኡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ናይ ዝሞቱ 2488 ሰራዊት ኣመሪካ ተቐቢሮምሉ ናብ ዘለዉ ሃገራዊ መቓብር ኣርሊንግተን ምብጻሕ ኣካይዱ ነይሩ። ጆ ባይደን ነቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ 1 ግንቢት 2021 ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ጠቅሊሉ ክወጽእ ዝኣተዎ ውዕል ኣናዊሕዎ እዩ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ጣሊባን ዝኣተዎ ቃል እንተኣተግቢሩ (ኣልቃዒዳ ይኹኑ ካልእ ዕጡቓት ናብ ኣፍጋኒስታን ከይኣትዉ እንተገይሩን ምስ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ዘተ ውዕል ሰላማ እንተቀጺሉን) ኩሎም ኣብ ኣፍጋኒስታን ተዋፊሮም ዘለዉ ሰራዊት ኔቶ ኣብ ውሽጢ 14 ኣዋርሕ ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጽኡ ዘገድድ ነጥቢ ኣለዎ። ሰራዊት ጣሊባን ብመሰረት እቲ ስምምዕ ኣብ ልዕሊ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ ሰራዊት ባዕዲ መጥቃዕቲ እኳ እንተኣቋረጾ ምስ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ዘካይዶ ዝነበረ ኵናት ግን ኣየቋረጾን። ጣሊባን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እቶም ሰራዊት ባዕዲ ክሳብ ጠቕሊሎም ዝወጽኡ ኣብ ልዕሊኦም ዝገብሮ መጥቃዕቲታት ከም ዘየቋርጾ ኣፈራሪሑ ነይሩ። ላዕለዋይ ሓላፊ ሃገራዊ ዕርቂ ኣፍጋኒስታን ዓብዱላህ ዓብዱላህ ንውጥን ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ ኣመልኪቱ ብረቡዕ ምስ ሮይተርስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት \"ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝተኻደ ኵናት ሰዓሪ የብሉን። እዚ ጣሊባን'ውን ክግንዘብዎ ኣለዎም\" ኢሉ። ኣብ መላእ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ ብዙሓት ኣፍጋናውያን ሰራዊት ኣመሪካ ካብታ ሃገር ክወጽእ ዝተዋህበ ውሳነ ከም ዘሰንበዶም ንራድዮ ቢቢሲ ኣፍጋን ሓቢሮም። ሮእሳኒ ኡስማኖ ኣብቲ ምስ ኢራን ዝዳወብ ዞባ ሄራት ናይ ኣፍጋኒስታን እትነብር ኣፍጋናዊት ኮይና \"ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጽእ ዘፍቅድን ዝምችእን ኩነታት ኣይኮነን ዘሎ\" ኢላ። ብምስዓብ \"ማሕበረሰብ ዓለም እቲ ክገብርዎ ዝግብኦም ዕማም ገና ኣይዛዘሙን ዘለዉ፡ ጣሊባን ስልጣን ክማቐል ኣብ ዝርርብ እዩ ዘሎ\" ድሕሪ ምባል \"ንሕና ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝሓፈስናዩ ዓወታት ክንከስሮ ንኽእል ኢና። ናብቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ዝነበረ ዝሓለፈ ጸላም ከይንምለስ ገለ ውሕስነት ክህሉ ኣለዎ\" ኢላ። መሓመድ ኣስካረ ነባሪ ኣብ ሰሜን ኣፍጋኒስታን እትርከብ ከተማ ማዛር ኢ ሻሪፍ'ዩ። \"ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጽእ እንተኾይኑ ብመደብ ክኸውን ኣለዎ፤ እንተዘይኮይኑ ግን ኣፍጋኒስታን ናብ ዝኸፈአ ኵናት ሓድሕድ ከተምርሕ ትኽእል እያ\" ይብል። ኣብ ዞባ ሰሜን ባግላን ዝነብር ወያር ብወገኑ \"ሰራዊት ኣመሪካን ምስ ጣሊባን ኣብ ሓደ ስምምዕ ምስ ተበጽሐ'ዩ ክወጽእ ዝግበኦ፤ እንተዘይኮይኑ ግን እቲ ብሕጂ ኣብ ኣፋጋኒስታን ክውላዕ ዝኽእል ኵናት ካብ ኣፍጋኒስታን ሓሊፉ ንመላእ ዓለም ዝጸሉ ክኸውን ይኽእል እዩ\" ኢሉ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56756228"} {"headline":"ሕነ ስድርኣ ንምፍዳይ ክልተ ኣባላት ጣሊባን ዘቐተለት ኰተቴ","content":"ኣፍጋኒስታዊት ኰተቴ ስድርኣ ንዝቀተሉላ ክልተ ኣባላት ጣሊባን ብምቅታል ሕኒኣ ብምፍዳያ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ‘ጅግና’ ዝብል ቅጽል እናተዋሃባ ኣዛራራቢት ኮይና ትርከባ። እዛ ጓል ኣንስተይቲ ናይ ስድራኣ (AK-47) ጠበንጃ ብምጥቃም ክልተ ካብቶም ኣባላት ጣሊባን ክትቀትሎም እንከላ ንብዙሓት ከምዘቁሰለት ሰብመዚ ዞባ ጎር ሓቢሮም። እቶም ኣባላት ጣሊባን ኣቦኣ ደጋፊ መንግስቲ’ዩ ኢሎም ከምዝቐተልዎ እቶም ሰብ መዚ ሓቢሮም። እታ ኰተቴ ጓል ኣንስትይቲ ጠበንጃ ሒዛ ዘርኢ ስእሊ ኣብ መሓበራዊ መራኸቦታት ሰባት ብብዝሒ ክቀባበልሉ ቀንዮም። ድሒሮም ብዙሓት ኣባላት ጣሊባን ነታ ዓዲ ከጥቅዕዋ'ኳ እንተመጽኡ፡ በቶም ናይታ ግሪዋ እትብሃል ዓዲ ዕጡቓትን ሚሊሻ ናይ መንግስትን ከምዝተመከቱ ተገሊጹ። እታ ጓል ኣንስትይቲ ዕድሚኣ ካብ 14 ክሳብ 16 ክኸውን ከምዝኽል ብምግላጽ፡ ንሳን ንእሽተይ ሓዋን ናብ ውሑስ ቦታ ተወሲዶም ከምዘለዉ እቶም ሰብ መዚ ዞባ ጎር ገሊጾም ኣለዉ። ካብቶም ንስእላ ኣሰንዮም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ዝውሃቡ ዝነበሩ ርእይቶታት ነታ ነዚ ተግባር ዝፈጸምት ኰተቴ ወደሳን “ንክብራን ትብዓታን ጉልባብናን ቆቢዕናን ንቅላዕ”፤“ስደራ መተካእታ ዘይብሎም’ዮም ሕነኺ ብምፍዳይኪ ግን ተዛማዲ ሰላም ክትረኸቢ ኢኺ” ዝብሉ ይርክብዎም። ብመሰረት ካብ ማዕከናት ዜና ኣፍጋኒስታን ዝውሃብ ሓበሬታ፡ ዞባ ጎር ሓንቲ ካብተን ዘይማዕበላ ኣብ ምዕራብ ኣፍጋኒስታን ትርከብ ዞባ ኮይና፡ ኣብቲ ዞባ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ኣድልዎ፡ ዓመጽን ጸቅጥን ልዑል ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ። ጣሊባን፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዋላ’ኳ ምስ ኣሜሪካ ውዕል ሰላም እንተኸተሙ፡ ዝበዝሒ ካብቶም ሰራዊት ግን ኣብ ኣፍጋኒስታን ብምዃን ነቲ ናይ ኣፍጋኒስታን መንግስቲ ንሱ ዝኽተሎ ቅዋምን ንምእላይ’ዮም ዝቃለሱ ዘለዉ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53496515"} {"headline":"ካናዳዊ ፖለቲከኛ ምስ ማላላ ብዝተስኣሎ ስእሊ ንምንታይ ይንቀፍ ኣሎ?","content":"ጂን-ፍራንሷ ሮበርጅ፡ ኣብ ካናዳ ግዝኣት ኩቤክ፡ ሚኒስተር ትምህርቲ እዩ። ሽልማት ኖቤል ሰላም ምስ ዝወሰደት ማላላ ዮሱፍዛይ ዝተስኣሎ ስእሊ ምስጠቀዐ ከኣ ይንቀፍ ኣሎ። ኣብ መሰል ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮ ብእትገብሮ ጎስጓስ እትፍለጥ ማላላ፡ ኣብቲ ስእሊ መጎልበቢ ገይራ እያ እትረኣይ። ኣብ ግዝኣት ኩቤክ ድማ፡ መጎልበቢ ገይርካ ክትምህር ኣይፍቀድን እዩ። ግዝኣት ኩቤክ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጸኣቶ ሕጊ፡ ንመምህራን ሓዊሱ ኩሎም ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ኣብ ቤት ዕዮኦም ንሃይማኖት ዘንጸባርቕ ኣከዳድና ከይኽደኑ ከልኪሉ እዩ። ጂን-ፍራንሷ ሮበርጅ ምስ ማላላ ዮሱፍዛይ ብዛዕባ ቀረብ ትምህርትን ዓለምለኻዊ ዕብየትን ከምዝዘተዩ ተዛሪቡ። ማላላ፡ ኣብ 2012 ብዕጡቓት ጣሊባን ብጥይት ኣብ ርእሳ ተወቒዓ እያ፡ እዚ ድማ ናብ ቤት ትምህርቲ ክትከይድ ብምድፋራን ብዛዕባ ኣድላይነት ትምህርቲ ንደቂ ኣንስትዮ ብምዝራባን እዩ። ኩቤክ፡ ነቲ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ሃይማኖታዊ ኣከዳድና ከይህልዎም ዝኽልክል ሕጊ ብሰነ እያ ኣጽዲቓቶ። እዚ ሕጊ ድማ፡ ንዳያኑ፣ ፖሊስ፣ መምህራንን ካልኦት ውሱናት ዕዮታት መንግስትን ዝምልከት እዩ። እዚ ሕጊ፡ ኣብቲ ግዝኣት ተቓውሞን ክትዓትን ኣልዒሉ እዩ። ደገፍቲ ናይዚ ሕጊ፡ ፍልልይ ቤተክርስትያንን መንግስትን ዘረጋግጽ ርትዓውን ትኽክለኛን ውሳነ ይብልዎ። እቶም ዝቃወምዎ ከኣ፤ ዋላ'ኳ እቲ ሕጊ ሃይማኖት ፈልዩ ዘይጠቅስ እንተኾነ፤ ፍትሓዊ ብዘይኮነ መገዲ ነተን ኣብታ ግዝኣት ዘለዋን መጎልበቢ ዝገብራን ደቂኣንስትዮ ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና ዒላማ ዝገበረ እዩ ክብሉ ይነቕፍዎ። ገለ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ርእይቶታቶም ዝሃቡ ሰባት፡ ነቲ ሚኒስተር ምስ ማላላ ስእሊ ብምስኣሉ፡ ከም ሸፋጢን ምስሉይን ገሊጾምዎ። እቲ ሚኒስተር ኣብ ፈረንሳይ እንከሎ እዩ ምስ ማላላ ተራኺቡ። ጋዜጠኛ ሳሊም ናዲም፡ ማላላ ኣብ ግዝኣት ኩቤክ ክምህር እንተትብል እንታይ ምበልካያ ኢሉ ነቲ ሚኒስተር ብትዊተር ሓቲትዎ። \"ኣዝዩ ደስ ከምዝብለኒን፤ ... ኣብ ኩቤክ መምህራን ሃይማኖታዊ ክዳን ተኸዲኖም ዕዮኦም ከመዘይፍጽሙን ምነገርክዋ\" ኢሉ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48891858"} {"headline":"ኩናት ኣፍጋኒስታን፡ መጥቃዕቲ ጣሊባን፡ ሆስፒታል ኣዕንዩ፡ ሕሙማትን ሓካይምን ቀቲሉ","content":"ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ብነተጉቲ ዝተመልአት ሓንቲ መኪና፡ ዕጡቓት ጣሊባን ኣብ ጥቓ ሓደ ሆስፒታል ስለዘፈንጀርዋ፡ ብውሕዱ 10 ሰባት ተቐቲሎም። መብዛሕቲኦም በቲ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ሰባት ሓካይምን ሕሙማትን እዮም ተባሂሉ። ጣሊባን፡ ዒላምኦም ኣብ ጥቓ እቲ ሆስፒታል ዝርከብ ቤትጽሕፈት ስለላ ምንባሩ ገሊጾም። ኣብዚ እዋን፡ ምስቲ ዕጡቕ ጉጅለ ክካየዱ ዝጸንሑ ልዝባት ደው ብምባሉን መረጻ ዝካየደሉ እዋን ይቐርብ ብምህላዉን፡ ጣሊባን ዳርጋ መዓልታዊ እዩ መጥቃዕትታት ዝፍጽም ዘሎ። ብሰሉስ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣሽራፍ ጋኒ፡ ጎስጓስ መረጻ ንምክያድ ዘረባ ከስመዓሉ ወጢኑ ኣብ ዝነበረ ቦታ ነታጒ ተፈንጂሩ፡ 26 ሰባት ተቐቲሎም እዮም። ኣብ ኣፍጋኒስታን ን 18 ዓመታት ዝቐጸለ ጎንጺ ንምፍታሕ፡ ኣመሪካ ምስ ጣሊባን ዘተ ሰላም ክተካይድ ጸኒሓ እያ። እንተኾነ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ኣብ ካቡል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሓደ ወተሃደር ኣመሪካን ካልኦት 11 ሰባትን ድሕሪ ምቕታሎም፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ካብቲ ምስ ጣሊባን ከካይዶ ዝጸንሐ ዘተ ከምዝሰሓበ ገሊጹ እዩ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49752701"} {"headline":"ሓዲሽ ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን 'ዘይተኣወጀ' ምብጻሕ ኣካይዱ","content":"ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ፡ ሎይድ ኦስቲን፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣቐዲሙ ብዕሊ ዘይተገልጸ ምብጻሕ ይገብር ኣሎ። ንሱ ነዚ ዑደት ዝካየድ ዘሎ፡ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ሓይልታት ኣመሪካ ቀዲሞም ቅድሚ ምውጸኦም ሒደት ሰሙናት ክተርፎም እንከሎ እዩ። ኦስቲን፡ ኣብ ከተማ ካቡል ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣሽራፍ ጋኒ ምስተራኸበ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኲናት ሰላማዊ ብዝኾነ መገዲ ጠጠው ክብል ጸዊዑ። እንተኾነ ብዛዕባ መደብ ምውጻእ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣመልኪቱ ዝበሎ ነገር የለን። ንሱ፡ እቲ ግጭት ብዝርርብ ዝፍትሓሉ ዕድል ምእንቲ ክፍጠር፡ ከቢድ ጎነጽ ምጉዳል ኣተኩሮ ክወሃቦ ዘለዎ'ዩ ኢሉ። መደብ ምውጻእ ወተሃደራት ኣመሪካ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ምስ መራሕቲ ጣሊባን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝተኻየደ ዝርርብ ዝተበጽሐ ስምምዕ እዩ። እንተኾነ፡ ሓይልታት ጣሊባን፡ በቲ ዝኣተውዎ ቃል መሰረት ንሰላም ድልውነት ኣርእዮም'ዶ ዝብል ሕቶ ኣይተመለሰን። ሓድሽ ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ጆ ባይደን ግን፡ ካብ'ቶም ዕጡቓት ሓይልታት ዝፍኖ ዘሎ መጠንቀቕታ ጠቒሱ፡ እቲ ኣብ ሓደ ግንቦት ክፍጸም መደብ ዝተታሕዘሉ፡ ወተሃደራት ናይ ምውጻእ መስርሕ፡ ምፍጻሙ ክኸብድ ከምዝኽእል ኣንፊቱ ነይሩ። ሚስተር ኣስቲን [ሚኒስተር ምክልኻል] ካብቲ ሓድሽ ምሕደራ ኣመሪካ ናብ ካቡል ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ናይ መጀመርታ በዓል ስልጣን እዩ። ንሱ፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዘሃቦ መግለጺ፡ ዕጡቓት ጣሊባን ነቲ ዝኣተውዎ ቃል ምኽባሮም ዘይምኽባሮም ኣመልኪቱ ኣይተዛረብን። \"ርግጽ እቲ ጎንጺ ኣብ ከቢድ ደረጃ ከምዝርከብ ዘማትእ ኣይኮነን\" ከምዝበለ ግን ኒውዮርክ ታይምሰ ጸብጺቡ። \"እቲ ዓመጽ ነክዩ ክንርኢ ኢና ንደሊ፤ ከምኡ ምስ ኮነ ፍረ ንዘፍሪ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ንምጅማር ዘብቅዕ ባይታ ምንጻፍ ይከኣል\" እዩ ኢሉ። እቶም ሓይልታት ኣመሪካ፡ ኣብ መንጎኦም ዝኾነ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ከይተገብረ እንተደኣ ወጺኦም ጣሊባን ናብ ስልጣን ክምለስ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣሎ። ኣመሪካ ዛጊድ 2500 ወተሃደራት ኣብ ኣፍጋኒሰታን ከምዘዋፈረት እያ ትገልጽ። ምምሕዳር አመሪካ፡ ወተሃደራቱ ካብታ ሃገር ምስሓብ ቀዳምነት ዝህቦ ጉዳይ እዩ ነይሩ። እቲ ኣብ ጥሪ 2020 ዝተፈረመ ሓበራዊ ስምምዕ፡ ዕጡቓት ጣሊባን ኣብቲ ንሳቶም ዝቆጻጸርዎም ከባብታት ኣልቃዒዳ ኮኑ ካልኦት ኣኽረርቲ ሓይልታት ክንቀሳቐሱ እንተዘይፈቒዶምን ንሃገራዊ ዘተ ድልዋት ክኾኑ ዝብል እዩ ነይሩ። ከምኡ እንተኾይኑ፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ኮነ ወተሃደራት ሓይልታት ቃል ኪዳን [ኔቶን] ኣብ ውሽጢ 14 ኣዋርሕ ክወጽኡ ኣብ ዝብል ምርድዳእ ተበጺሑ ነይሩ። እዞም ሕሉፋት እስላማዊ ዕጡቓት ጣሊባን፡ ድሕሪ እቲ ስምምዕ ኣብ ልዕሊ ናይ ደገ ወተሃደራት መጥቃዕቲ ምፍጻም ጠጠው እንተበሉ'ኳ፡ ምስ ሓይልታታት ጽጥታ መንግስቲ ግን ክዋግኡ እዮም ጸኒሖም። ከምኡ'ውን ከም ቅድመ ኩነት ንሰለማዊ ዝርርብ፡ መንግስቲ ኣብ ቀይዲ ዘእተዎም እሱራት ኣባላቱ ክፈትሕ ይጠልቡ እዮም። ኣብ ዶሃ ቀጠር ኣብ ወርሒ መስከረም 2020 ቀጥታዊ ዝርርብ ተጀሚሩ ነይሩ፡ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝኾነ ወሳኔ ስምምዕ ኣይተበጽሐን ዘሎ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56480535"} {"headline":"ትካል ቴሌኮም ኤምቲኤን ንኣልቃይዳን ጣሊባንን ብላዕ ብምሃብ ተኸሲሱ","content":"ኤምቲኤን [MTN]፡ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ትካል ኣገልግሎት ቴሌኮም እዩ። እዚ ትካል፡ ውሕስነት ክረክብ ክብል ኣብ ኣፍጋኒስታን ንዝርከቡ እስላማዊ ዕጡቓት ጉቦ ከፊሉ ዝብል ክሲ ቀሪብዎ ኣሎ። ኤምቲኤን ድማ፡ ነቲ ንዝቐረበሉ ክስታት የጻርዮ ምህላዉ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ብዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ፌደራል ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ዝቐረበ ክስታታት፡ እቲ ትካል ንሕግታት ጸረ-ሽበራ ከምዝጠሓሰ ተገሊጹ። እቲ መዝገብ ክሲ፡ ንስድራ ናይቶም ኣብ ኣፍጋኒስታን ብዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ዝሞቱ ኣመሪካውያን ብምውካል ዝተኸፈተ እዩ። ካልኦት ሓሙሽተ ኩባንያታት'ውን ኣብቲ ክሲ ኣስማቶም ሰፊሩ'ሎ። ኤምቲኤን ንኣልቃይዳን ጣሊባንን ጉቦ ክኸፍል ዝኸኣለ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ብዝለዓለ ወጻኢ ዝተኸሎም ዓንድታት መስመር ቴሌኮም መጥቃዕቲ ከይፍጸሞ ብዝብል ከምዝኾነ፡ እቲ ዝቐረበሉ ክሲ የመልክት። እዚ ክፍሊታት ከኣ፡ ብጣሊባን ዝምራሕ ዓማጺ ኣብ ኣፍጋኒስታን ካብ 2009 ክሳብ 2017 ንዘብጸሖም መጥቃዕትታት ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ከምዝፈጠረሉ ኣብቲ ክሲ ተሓቢሩ'ሎ። እቲ ገንዘብ \"ነቶም ዝፍለጡ ጉጅለታት ሽበራ ንዋታዊ ዓቕሚ\" ክረኽቡ ስለዝሓገዞም፡ ንሕጊ ጸረ ሽበራ ዝጥሕስ ከምዝኾነ ተገሊጹ'ሎ። ደቡብ ኣፍሪቃዊ ትካል ቴሌኮምዩኒኬሸን ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ንዘሎ ንግዳዊ ንጥፈታቱ \"ሓላፍነት ብዝተመልኦ መገድን ሕጊ ተኸቲሉን\" ከምዝፍጽም ኣብሪሁ። ኤምቲኤን ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ብደረጃ ዓለም ድማ ኣብ ሻምናይ ዝስራዕ ትካል ኣገልግሎት ቴሌኮም ኮይኑ፡ ልዕሊ 240 ሚልዮን ተጠቀምቲ ኣለውዎ። ኣብ 2015 ዘይተመዝገቡ ሲምካርድታት ኣገልግሎቶም ክቋረጽ ብዘይምግባሩ ልዕሊ 5 ቢልዮን ዶላር ብሰብመዚ ናይጀርያ ክቕጻዕ ተወሲንዎ ነይሩ። ኣብ ወርሒ ለካቲት ድማ ኣብ ኢራን ኣምባሳደር ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር፡ ኩባንያ ኤምቲኤን ኣብ ኢራን ንኽሰርሕ፡ ብጉቦ ፍቓድ ክረክብ ገይሩ ብዝብል ኣብ ቀይዲ ኣትዩ'ዩ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50953860"} {"headline":"ቅልውላው ኣፍጋኒስታን፡ ኣብ ካቡል ዳያኑ ደቂ ኣንስትዮ ተቐቲለን","content":"ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝሰርሓ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ዳያኑ ኣብ ከተማ ካቡል ብዝተተኮሰ ጠይይቲ ከምዝቐተላ ሰበስልጣን ሓቢሮም፡፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ሰንበት ንጉሆ ናብ ዝሰርሓሉ ቦታ ብመኪና ኣብ ዝጓዓዛሉ ብዕጡቓት ከምዝቐተላ ወሃቢ ቃል ሓደ ቤት ፍርዲ ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ፡፡ እቲ ካብ ቀረባ እዋናት ናብዚ ጋዜጠኛታት፣ ጎስጎስትን ፖለቲከኛታትን ዒላማ ገይሩ ዝፍጸም ዘሎ ቅትለት ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ወታሃደራቱ ካብ ኣፍጋኒስታን ብቐጻሊ ምስሓብ ምስጀመረ እዩ ተጓሃሂሩ ዘሎ፡፡ ቁጽሪ ኣብታ ሃገር ዝተረፉ ወታሃደራት ኣመሪካ 2500 ጥራሕ እንትኾን፡ እቲ ስጉምቲ ኣብታ ህድኣት ዘይብላ ኣፍጋኒስታን ተወሳኺ ዘይምርግጋእ ዝፈጥር ከምዝኾነ ምክትል ፕረዚደንት ኣፍጋኒስታን ኣብዚ ሰሙን ንቢቢሲ ተዛሪቡ እዩ፡፡ እተን ዳያኑ ብመን ተቐቲለን? እተን ደቂ ኣንስትዮ ሰንበት ንጉሆ ብዝተፈጸመን ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ዝተቐተላ ኮይነን፡ እቲ መራሒ መኪና እውን ቆሲሉ እዩ፡፡ ነቲ ቓሊ ፋቱላህ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ካቡል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዛጊድ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን፡፡ እቲ ንመብዛሕተኦም ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈጸሙ ቅትለታት ፈጺሙ ክኾን ከምዝኽእል ዝጥርጠር ጣሊባን እውን፡ ዝሃቦ መግለጺ የለን፡፡ እቲ ናይ ሰንበት ንጉሆ ቅትለት ተወከልቲ መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ዕጡቓት ጣሊባንን ኣብ ዶሃ ዘተ ሰላም የካይዱ ኣብዘለዉሉ እዋን እዩ ተፈጺሙ ዘሎ፡፡","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55695608"} {"headline":"ሎሚ ንሰላም ኣፍጋኒስታን ዝላዘቡ ሓሙሽተ እሱራት ጓንታናሞ ነበር","content":"ድሕሪ ናይ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ማእሰርቲ፡ ነቲ ፕረዚደንት ትራምፕ 'ፍጹም መወዳእታ ዘይበሉ ኲናት' ዝበሎ ኲናት ንምውዳእ፡ ብዛዕባ መስርሕ ሰላም ንምዝታይ ምስቶም ኣብ ዓውደ ኩናት ማሪኾሙዎም ዝነበሩ ኣብ ሓደ ጣውላ ተቐሚጦም ኣለዉ። ኣብ ርእሰ ከተማ ቀጠር ደውሓ፡ ሓሙሻይ ዙርያ ዘተ ሰላም ኣሜሪካን ጣሊባንን ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ግዜ፡ እቶም ብ ''ሓሙሽተ ጓንታናሞ'' ዝፍለጡ ልኡኻት ጣሊባን ፍሉይ ኣቓልቦ ፈጢሮም ኣሎዉ። እዚኣቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ጣሊባን ኮይኖም፡ ድሕሪ ምውዳቕ'ቲ ስርዓት ኣብ 2001 ዝተማረኹ ኮይኖም፡ ኣብቲ ሕማቕ ዝውረየሉ ቤት ማእሰርቲ ጓንታናሞ ኣብ ኲባ ን 13 ዓመት ዝተኣስሩ ኢዮም። ንሳቶም ኣብቲ ኣካታዒ ዝነበረ ምልውዋጥ እሱራት፡ ብ2014 ኢዮም ንቐጠር ተላኢኾም። ኣብዚ ምልውዋጥ፡ በቶም ዕጡቃት ተማሪኹ ዝነበረ ኣሜሪካዊ ሰርጌንት ቦው በርዳል ዘካተተ'ዩ ነይሩ። ከም ኣካል ስምምዕ ናይቲ ምልውዋጥ፡ እዚኣቶም ካብ ሽዑ ጀሚሮም ካብ ዓይኒ ህዝቢ ተኸዊሎም፡ ምንቅስቃሶም ብቐጠራውያን ምክትታል እናተገብረሉ፡ ኣብ ቐጠር ኢዮም ዘለዉ። ዋላ እኳ ስድራቤቶም ኣብ ደውሓ እንተ ተጸንበርዎም፡ ንወጻኢ ሃገራት ክገሹ ግን ኣይፍቀደሎምን ኢዩ። እዞም ኣብቲ ተዋጋኢ ጉጅለ ጣሊባን ተረታዊ ጽፍሒ ዘለዎም ሓሙሽተ ሰባት፡ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ምስ ግብረ-ሽበራ ዝተኣሳሰር ክሲ ኢዮም ካብ ጓንታናሞ ተለቒቖም። ንምዃኑ እዞም ''ሓሙሽተ ናይ ጓንታናሞ'' መን'ዮም ? እዚኣቶም ኣብ ግዜ ወራር ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣፍጋኒስታን ኣብ 2001፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ወይ ላዕለዎት ወተሃደራውያን መኮንናት ጣሊባን ዝነበሩ ኢዮም። ዋላ እኳ ንኣሜሪካን ረብሓታታን ስግኣት ኢዮም እንተ ተባህሉ፡ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ባራክ ኦባማ ግና ኣብቲ ቀጠር ዝሸምገለቶ ስምምዕ ኣብ 2014 ነዞም ሓሙሽተ ክፈትሖም ተሰማሚዑ። መንግሰቲ ቀጠር ብቐረባ ክከታተሎም ብዝኣተዎ መብጽዓ መሰረት ድማ ናብ ደውሓ ተወሲዶም። ምስኦም ቅርበት ዘለዎም ወገናት፡ ድሕሪ ናይ ዓሰርተ ክልተ ዓመት ማእሰርቲ፡ እሞ ድማ ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ሸላ ዝተኣስሩ ሰባት፡ ምስ ዓለም ንምዝራብ ብቅዓት ከምዘይብሎም ኢዮም ዝገልጹ። መሪሕነት ጣሊባን፡ ኣብ ጥቅምቲ 2018 ኣባላት ናይቲ ኣብ ደውሓ ዝመደበሩ ፖለቲካዊ ኮምሽን ገይሩ መሪጽዎም። ሕጂ ድማ ኣብ ዘተ ስላም፡ ምስ ኣሜሪካ ንጣሊባን ወኪሎም ኣለው። እዞም ኣብዚ ዘተ ዝሳተፉ ዘለው 'ሓሙሽተ እሱራት ጓንታናሞ እቶም ዝልዓሉ ስብ መዚ ኣይኮኑነ። እቲ ንፖለቲካዊ ኮምሽን ዝመርሕ ዘሎ ሰብ ውን፡ ምሩኽ ዝነበረ ኢዩ። ሙላ ዓብዱል ጋኒ ባራዳር፡ ኣብ ቤት ማእሰርትታት ፓኪስታን ንልዕሊ ሸሞንት ዓመታት ዝተኣስረ ኮይኑ፡ ኣብዚ ናይ ሰላም ዘተ ንክሕግዝ እዩ ኣብ ጥቅምቲ 2018 ተፈቲሑ። ንሱ ሓደ ካብ መስረቲ እዚ ጉጅለ ኮይኑ፡ ሕጂ ድማ ምክትል ሓለቓ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኣሎ። ሙላ ባራዳር ስልጣን ኣለዎ። ሓሰን ሓቅያር ክም ዝገለጾ፡ ኣብዚ ሐጂ እዋን ተዛተይቲ ጣሊባን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ'ቲ ዘተ ካብ ላዕሊ መምርሒ የድልየና ኢዩ ብማለት ዘተ ኣየቋርጹን ዘለው። ጉጅለ ተዛተይቲ ኣሜሪካ፡ ብፍሉይ ልኡኽ ዕርቂ ኣፍጋኒስታን፡ ብዛላመይ ካሊልዛድ ዝምራሕ ኮይኑ፡ ተልእኹኡ ድማ፡ ንቲ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ዝነውሐ ከም ዝኾነ ዝንገረሉ ኲናት መኸተምታ ንምግባኣር ኢዩ። ኣሜሪካ፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ 11 መስከረም 2001 ንጣሊባን ንምጽራግ ንኣፍጋኒስታን ወሪራታ። እንተኾነ እቲ ብዙሓት ሃገራት ዝደገፈኦን ዝተሳተፈኦን ኩናት 17 ዓመታት ገይሩ ክነሱ ክሳብ ሕጂ ኣይተወደአን። ጣሊባን እውን ፈጺሙ ኣይተሳዕረን። ብፍላይ ካብ 2014 ንደሓር ሓያሎ ናይ ግዳም ሓይልታት ካብታ ሃገር ስለዝወጽኡ ጣሊባን እናሓየለ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። እዚ ጉጅለ ኣብ 2001 ካብ ስልጣን ካብ ዝእለ ንደሓር ኣብዚ እዋን እዚ ዝሰፍሐ መሬት ተቖጻጺሩ ከምዘሎ ይንገር። ኣብዚ ዘተ ክልተ ዋና ጠለባት ኢየን ቀሪበን ዘለዋ። ጣሊባን፡ ኩሎም ወተደራት ወጻኢ ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጽኡ ከም ቅድመ ኩነት እዚ ዘተ ከቀምጦ እንከሎ፡ ኣሜሪካ ድማ ብወገና፡ ጣሊባን ንኣሜሪካን መሻርኽታን ስግኣት ንዝኾኑ እስላማውያን ዑጡቓት ኣብታ ሃገር ከም ዘይንቀሳቀሱ ብምግባር ውሕስነት ክህባ ትሓትት። ጣሊባን፡ ካብ ነዊሕ እዋን ኣተሒዙ፡ ምስ ኣሜሪካ ጥራይ ዘተ ሰላም ከካይድ ከምዝደሊ ክገልጽ ጸኒሑ ኢዩ። ኣመሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሓምለ፡ ምስ ጣሊባን፡ ሰበ ስልጣን ኣፍጋኒስታን ዘይብሉ ቀጥታዊ ዘተ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ እቲ \"ንጣሊባን ምስዓር\" ዝበል ዝነበረ ናይ ወጻኢ ፖሊሲኣ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ቀይርዎ ኢዩ። ፐርሲደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ንኣሜሪካ፡ ዓመታዊ 50 ቢልዮን ዶላር ክሓታ ዝጸንሐ 14000 ሰራዊታ ዘዋፈረትሌ ኲናት ንምውዳእ ህንጡይነት ኣርእዩ ኢዩ። ስለዝኾነ ከኣ እዩ ምስ ጣሊባን ቀጥታዊ ዘተ ዘካይድ ዘሎ። እዚ ኣብ ዝሐለፈ ኣርባዕታ ዙር ዘተ ዝተራእየ ምዕባለን እዚ ሕጂ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ጣሊባን ዝሳተፉዎ ዘለው ዘተን ዓቢ ተስፋ አሕዲሩ ምህላዉ ከኣ ይዝረብ ኣሎ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-47398117"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን ኣሲራቶም ዝነበረት ኣባላት ጣሊባን ክትፈትሕ ጀሚራ","content":"ኣፍጋኒስታን ነቲ ብዙሕ ክትዕ ክካየደሉ ዝጸንሐ፡ ምፍታሕ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣባላት ጣሊባን ነበር ዳግማይ ከምዝጀመረቶ ሓቢራ። ሰብ መዚ ጣሊባን ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ጣሊባን ካብ ሰኑይ ጀሚሩ 200 ኣባላት ጣሊባን ምፍትሑ ኣረጋጊጾም። ጣሊባን ብወገኖም ኣርባዕተ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ንዝነበሩ ኣባላት ኮማንዶ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ፈቲሖም ኣለዉ። ኣብ ሞንጎ ጣሊባንን መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ክግበር ኣብ ዝጸንሐ ዘተታት፡ ኣብቲ ሃገር ንልዕሊ 19 ዓመታት ዝቀጸለ ኵናት ደው ንኽብል፡ 'እቶም ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ተኣሲሮም ዝርከቡ ኣባላት ጣሊባን ይፈትሑ' ዝብል ጠለብ ኣካል እቲ መዛተዩ ኮይኑ ከሰሓሕብ ምጽንሑ ይፍለጥ። ሕጂ ግን ገለ ክፋል ናይቶም ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኣባላት ጣሊባን ተፈቲሖም ስለዘለዉ ፡ እቲ ኣብ መንጎ ጣሊባንን መንግስቲ ኣፍጋኒስታትን ክግብር ዝተወጠነ ዘተ፡ ኣብ ዝምጽእ ቀረባ መዓልታት ኣብ ቀጠር ክካየድ ትጽቢት ተገይሩ ኣሎ። ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ብዓል መዚ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ብሰኑይ ገለ ኣባላት ጠሊባን ከምዝተፈትሑ ብምግላጽ ኣብ ዝመጽእ ቁሩብ መዓልታት ድማ እቶም ዝተረፉ ከምዝፍትሑ ገሊጹ። ፕረዚደንት ኣፍጋኒስታን ነበር ሃሚድ ካርዛይ ነቲ ተበግሶ ዘለዎ ደገፍ ብምግላጽ “ኣወንታዊ ስጉምቲ ንሰላም ኣፍጋስታን’ ክብል ገሊጽዎ። ኣብቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ መንጎ ጣሊባንን ኣሜሪካን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ጣሊባን ምስ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ክዛተ እንተኾይኑ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣፍጋኒሰታን ተኣሲሮም ዘለዉ 5000 ኣባላት ጣሊባን ክፍትሑ ዝብል ኣካል እቲ ስምምዕ ምኳኑ እዩ ዝፍለጥ። መንግሰቲ ኣፍጋኒስታን ካብ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ እሱራት ክፈትሕ ከምዝጀመረን ኣብቲ ወርሒ 400 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝነብሩ ኣባላት ጣሊባን ከምዝፈተሐ ዝዝክር እዩ። እቲ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ዝወስዶ ዘሎ ምፍታሕ እዞም እሱራት፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና መጥቃዕቲ ፈጺሞም እዮም ብምባል መንግስቲ ኣውስትራልያን ፈረንሳን ተቃዊመንኦ ኣለዋ። ዋሽንግተን ፖስት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ካብዞም ዝተፈትሑ እቶም ሰለስተ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ኣካዶም ሞት ዘስዓቡ ከምዝርከብዎም ገሊጻ ነይራ። ሰራዊት ጣሊባን፡ ኣብ 2001 በቲ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ልፍንታዊ ሓይሊ ካብ ስልጣን እኳ እንተተኣለዩ ኣብዚ ሕጂ ኣዋን ዝዓበየ ስፍሓት መሬት ኣፍጋኒስታን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ።","category":"ጣሊባን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53995191"} {"headline":"ናዕቢ ካዛኪስታን፡ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ብዝተወሰደ ስጉምቲ ብውሑዱ 164 ሰባት ከምዝተቐተሉ ተገሊፁ","content":"ኣብ ካዛኪስታን ንመዓልታት ይካየድ ኣብ ዘሎ ናዕቢ ፀረ-መንግስቲ፡ ብውሑዱ 164 ሰባት ከምዝተቐተሉ መራኸብቲ ሓፋሽ ንሰብመዚ ጥዕና ብምጥቃስ ኣቃሊሐን። እዚ ቁፅሪ ግዳያት ዝተረጋገፀ እንተድኣ ኮይኑ፡ ቅድም ክብል ካብ ዝተመዝገበ ሞት 44 ሰባት ኣዝዩ ዝዛየደ'ዩ። ቤት-ፅሕፈት ፕረዝደንት ካዛኪስታን ትማሊ ሰንበት ከምዝገለፆ፡ ዛጊድ \"ንብዙሓት ዜጋታት ወፃኢ\" ሓዊሱ፡ ኣስታት 6 ሽሕ ሰባት ተኣሲሮም። እቲ ብምውሳኽ ዋጋ ነዳዲ ዝተወልዐ ሰልፍታት ተቓውሞ፡ ናብ መላእ እታ ሃገር ብምልባዕ ናብ ከቢድ ናዕብታት ተቐይሩ። እቶም ኣብ ዝሓለፈ 2 ጥሪ ናብ ጎደናታት ዝወፅኡ ሰልፈኛታት፡ ብመንግስቲ እታ ሃገርን በቲ ንሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ንካዛኪስታን ዝመርሐን ሕዚ'ውን ዕዙዝ ፅልዋ ንምፍጣር ይሰርሕ ኣሎ ተባሂሉ ዝሕሰብ ፕረዝደንት ነበር ኑርሱልጣን ናዘርባየቭን፡ ዕጉባት ከምዘይኮኑ ከንፀባርቑ ጀሚሮም። ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ንሩስያ ሓዊሱ ሃገራት ነቲ ናዕቢ ንምግታእ ወተሃደራተን ናብ ካዛኪስታን ልኢኸን'የን። ካብዚ ብተወሳኺ፡ መግለፂ ቤት-ፅሕፈት እቲ ፕረዝደንት፡ እቲ ኩነታት ወተሃደራት የካይድዎ ብዘለዉ \"ናይ ምፅራይ\" ስራሕትን ሓለዋ \"እስትራቴጅያዊ ቦታታትን\" ተረጋጊዑ'ዩ ኢሉ። ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝተኣወጀ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘን ሰዓት እቶ እቶን ድማ ከምዝቕፅል ተገሊፁ። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣብ ርእሰከተማ እታ ሃገር ኑርስልጣን ፅኑዕ ሓለዋ ከምዘሎን ናብታ መንበሪ ፕረዝደንት እታ ሃገር ዘእትዉ መገድታት ከምዝተዓፀዉን ተዓዚቡ። ኣብዚ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ከተማ ኣልማቲ 103 ሰልፈኛታት ተቐቲሎም። ሓይልታት ፀጥታ እታ ሃገር እቶም ናዕበኛታት ኣብታ ከተማ ንዝርከብ መደበር ፖሊስ ንምቁፅፃር ብምፍታኖም ከምዝቐተልዎም ገሊፆም። ፕረዝደንት ቃሲም-ጆማርት ቶካየቭ፡ \"20 ሽሕ ሸፋቱ\" ነታ ማእከል ተቓውሞ ዝኾነት ቀንዲ ከተማ ኣልማቲ ከምዘጥቕዕዋ ብምግላፅ፡ ሓይልታት ፀጥታ \"ብዘይመጠንቀቕታ ክትኵሱ\" ኣዚዙ። ፀሓፊ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶን ብሊንከን ትማሊ ሰንበት፡ ንትእዛዝ ፕረዝደንት ጆማርት ቶካየቭ ኮንኒዎ። ብሊንከን ንኢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ \"እቲ ተኵስካ ናይ ምቕታል ትእዛዝ ጌጋ እዩ፤ ክስረዝ ይግባእ\" ኢሉ። ብሊንከን፡ ፕረዝደንት ቃሲም-ጆማርት ቶካየቭ፡ ካብ ሩስያ ንምንታይ ወተሃደራት ከምዝጠለበ'ውን፡ መብርሂ ከምዝደልይ ገሊፁ። ብካልእ ዜና፡ ክርጊዛዊ ናይ ጃዝ ድምፃዊ ኣብ ካዛኪስታን ብኸቢድ ከምዝተወቕዐን ከምዝተኣሰረን ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ምዝርግሑ ስዒቡ፡ ኣብ ጎረቤት ሃገር ክሪጊስታን ሰልፊ ተቓውሞ ተኻይዱ። ሰብመዚ ካዛኪስታን ድምፃዊ ቪክራም ሩዛክኖቭ፡ ኣብቶም ኣብታ ሃገር ይካየዱ ዘለዉ ሰልፍታት ተቓውሞ ከምዝተሳተፈ ብምግላፅ፡ ኣብ ተሌቬዥን እታ ሃገር ኣቕሪበሞ። ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ሰብመዚ ካዛኪስታን ሓላፊ ድሕንነት ነበር ካሪም ማሲሞቭ ብክሕደት ሃገር ተጠርጢሩ ከምዝተኣሰረ ኣፍሊጦም። ዝርዝር ሓበሬታ ግና ኣይሃቡን። ቤት-ፅሕፈት ፕረዝደንት ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ድማ፡ ክልተ ምክትላት እቲ ሓላፊ ድሕንነት ነበር ካብ መዝነቶም ከምዝተኣለዩ ሓቢሩ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59933253"} {"headline":"ፖሊስ ሱዳን ኣንጻር ደገፍቲ ዲሞክራሲ ዘንብዕ ጋዝ ተጠቒሞም","content":"ራብዓይ ዓመት ነቲ ንመራሒ ነበር ዑመር ሓሰን ኣል-በሽር ካብ ስልጣን ዘወገደ ህዝባዊ ናዕቢ ንምዝካር፡ ደገፍቲ ዲሞክራሲ ኣንጻር ወተሃደራዊ ምሕደራ ኣብ ዘካየድዎ ሰልፊ፡ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ዘንብዕ ጋዝን ጠያይትን ብምትኳስ ክብትንዎ ሃቂኖም። እቶም ንወተሃደራዊ ምምሕዳር ዝቃወሙ ኣሽሓት ሰልፈኛታት፡ ናብ ቤተ-መንግስቲ ገጾም ክምርሹ እንከለው እዮም ብሓይልታት ጸጥታ ተዅሲ ዘንብዕ ጋዝን ጠያይትን ገጢሙዎም። እቶም ሰልፈኛታት ነቲ ኣብዚ ቐረባ መዓልታት ኣብ መንጐ ወተሃደራትን ሲቪልን ዝተኸተመ ስምምዕ ብዙሕ ነገር ዝጐደሎ ዘይንጹር እዩ ብምባል እዮም ዝነጽግዎ። እቲ ተቓውሞ ኣብ ራብዓይ ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ንዖማር ኣል-በሽር ካብ ስልጣን ዘወገደ ህዝባዊ ናዕቢ እዩ ተኻይዱ። ስርዓት ኣልበሽር ኣብ ሚያዝያ 2019 ብህዝባዊ ጸቕጢ ካብ ስልጣን ቅድሚ ምእላዩ ንዝሓለፈ 30 ዓመታት ነታ ሃገር ክመርሕ ጸኒሑ እዩ። እቲ ንሓጺር እዋን ዝቐጸለ መስርሕ ምስግጋር ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ብወተሃደራዊ ዕልዋ ተቘጽዩ ምልካዊ መንግስቲ እዩ ዝመርሕ ዘሎ። ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት መራሕቲ ናይቲ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ወተሃደራዊ ጃንዳ ነቲ እናጓሃረ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ንሲቪላዊ መንግስቲ ስልጣን ክህብ ከምእተሰማምዐ ይዝከር። ሲቪላውያን መራሕቲ ስልጣን ዝርከቡሉ ናይ ክልተ ዓመት ናይ መሰጋገሪ ግዜ ክቕበሉ’ኳ እንተተሰማምዑ፡ እቶም ዝበዝሑ መንእሰያት ኣንስትን ሰብኡትን ዝርከብዎም ደገፍቲ ደሞክራሲ ግን፡ ነቲ ስምምዕ ኣትሪሮም ይቃወምዎ ኣለው። ሰሚራ ሓሰን ዝተባህለት መንእሰይ፡ \"ብዘይካ ሲቪላዊ መንግስቲ ካልእ ዝዀነ ይዅን ነገር ኣይንቕበልን ኢና\" ዝብል ሓሳብ ምቕራባ AFP ጸብጺቡ። እቶም ሰልፈኛታት \"በዚ ስምምዕ እዚ ኣይክንግዛእን ኢና፣  \"ናብ ባርነት ኣይክንምለስን ኢና\" ዝብል ጭርሖ እናስምዑ እዮም ዝምርሹ ነይሮም። እቲ ስምምዕ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ምስ ተኸተመ፡ ኣብ መላእ ዓለም ፍሉጥ  ሱዳናዊ ሰራሕ ፊልም ሓጆውጅ ኩካ፡ \"እቲ ሕድሪ ተጠሊሙ እዩ፤ እቲ እምነት ከኣ ጠፊኡ እዩ። እቲ ሰራዊት ሕጂ’ውን ከምቲ ቕድም ዝገበሮ  ክገብር ይኽእል እዩ\" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4n7n9enm2go"} {"headline":"ኣብ ከተማ ጎንደር፡ ናይ ዒድ ሶላት ኣብ ኣደባባይ ከምዘይተኻየደ ነበርቲ ገሊጾም","content":"ቅድሚ ሰሙን ሃይማኖታዊ መልክዕ ዘለዎ ጎንጺ ዘተኣናገደት ከተማ ጎንደር፡ ማሕበረሰብ ሙስሊም ንናይ ዒድ ሶላት ናብ ኣደባባይ ከይወጹ ከምዝተረፉ ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም፡፡ ንቢቢሲ ሓበሬታ ዝሃቡ ነበርቲ ከምዝገለጽዎ፡ ቅድሚ ሕዚ ስነ-ስርዓት ሶላት ዒድ ዝካየደሉ ዝነበረ ስታድዮም ፋሲለድስ ጽምዋ ዓሲልዎ ውዒሉ፡፡ እቲ ኣብ ስታድዮም ዝካየድ ሓበራዊ ስነ-ስርዓት ስግደት፡ ብሰንኪ ስግኣት ድሕነት እንከይተኻየደ ምትራፉ እቶም ነበርቲ ከተማ ጎንደር ኣመንቲ እስልምና ገሊጾም፡፡ ቤት ምኽሪ ኡለማ ከተማ ጎንደር፡ ትማሊ ማሕበረሰብ ሙስሊም ነቲ በዓል ኣብ ገዝኡ ኮይኑ ከብዕሎ ጻውዒት ምቕራቡ እውን ተገሊጹ ኣሎ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ ትማሊ 23 ሚያዝያ 2014 ዓ\/ም ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ‘‘መንግስቲ ግቡእ ሓላፍነት ክዋጻእ ኣብዘይክእለሉ ኩነታት፡ ንርእስኻ ካብ ሓደጋ ምሕላው’’ ኣድላዪ ብምዃኑ፡ ኣመንቲ በዓል ዒድ ኣልፈጥር ኣብ ገዝኦም ከሕልፍዎ ውሳነ ከምዘሕለፈ ይገልጽ፡፡ ብተወሳኺ ብሰንኪ እቲ ኣብ 18 ሚያዝያ ኣብ ተማ ጎንደር ዘጋጠመ ጎንጺ ህይወቶም ዝሓለፈ ሰባት ፍትሒ ክረኽቡን ንብረቶም ዝዓነዎም እውን ከከሓሱን እቲ ቤት ምኽሪ ጸዊዑ፡፡ ሽሙ ክዕቀብ ዝደለየ ነባሪ ከተማ ጎንደር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ‘‘ዋላኳ መንግስቲ ናይ ዒድ ሶላት ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ስታድዮም ክኽበር ጻዕሪ እንተገበረ፡ ማሕበረሰብ ሙስሊም (ነቲ በዓል) ኣብ ገዝኡ እዩ ኣሕሊፍዎ’’ ኢሉ፡፡ ተኸተልቲ እስልምና ብሓባር ኣብ ኣደባባይ ክሰግዱ እኳ እንተዘይከኣሉ፡ ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዘለዉ መሳጊድ ዝሰገዱ ከምዘለዉ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ሓቢሮም፡፡ ካልእ ኣብ ጎንደር ቀበሌ 18 ዝነብር ኣቦ ክልተ ቆልዑ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ዝተፈጠረ ጎንጺን መጥቃዕትን ስዒቡ፡ ኢድ ዝነበሮም ተጠርጠርቲ ንምሓዝ ዝግበር ዘሎ ምቅስቓስ ፍትሓዊ ኣይኮነን ኢሉ፡፡ ‘‘ዘይሻራዊ ሰብ ኣጻርዩ፡ ነቲ ተግባር ዝፈጸሙ ሰባት ናብ ሕጊ ክሳብ ዘይቀረቡ፡ ሕዚ እውን ኣደዳ ሞት ኣይንኸውንን ኢልና ኢና ካብ ገዛ ኣይንወጽእን ዝበልና’’ ዝብል እቲ ውልቀ ሰብ፡ ማሕበረሰብ ሙስሊም ናብ ኣደባባይ ወጺኡ ዘይሰገደሉ ምኽንያት ሕቶታቱ ስለዘይተመለሱ ምዃኑ ተዛሪቡ፡፡ መንግስቲ ፌደራልን ምምሕዳር ክልል ኣምሓራን ነቲ ጎንጺ ስዒቡ ይውሰዱ ብዛዕባ ዘለዉ ስጉምቲታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፡ ምስቲ ጸገም ብዝተኣሳሰር ልዕሊ 300 ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ኣብ ቀይዲ ከምዘኣተዉ ምግላጾም ዝዝከር እዩ፡፡ ካልእ ንድሕነቱ ክበሃል ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ነባራይ ከተማ ጎንደር፡ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ መሳጊድ ዘስምዕዎ ኣዛን ደው ካብ ዘብሉ ኣርባዕተ መዓልቲታት ከምዝሓለፉ ይገልጽ፡፡ ‘‘ሎሚ ኣብ ጎንደር ምንም የለን፡፡ ብዙሕ ምንቅስቓስ የለን፤ ዒድ፡ ዒድ ኣይመስልን’’ ይብል፡፡ ብኻልእ ዜና ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ 24 ሚያዚያ 2014 ዓ.ም ኣብ ሶላት ዒድ ብዝተፈጥረ ዕግርግር ኣብ ልዕሊ ንብረት ጉድኣት ከም ዝበጽሐ ኣፍሊጡ። ስግዳን ሶላት ዒድ ከይተፈጸመ እንከሎ ኣብ ከባቢ ቤተ መዘክር ሰማእታት ቀይሕ ራዕዲ፡ \"ውሑዳት ውልቀሰባት ብዘልዓሉዎ ዕግርግር ኣብ ልዕሊ ንብረት ጉድኣት በጺሑ\" ክብል ገሊጹ። ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብቐጥታ ዝተመሓላለፉ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ እምኒ ዝድርብዩ ዝነበሩ ውልቀሰባት መንብዒ ጋዝ ክትኩስ የርእዩ። እቶም ምስልታት ብተወሳኺ ነቶም ናብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታን ህንጻታትን እምኒ ንዝድርብዩ ዝነበሩ ጠጠው ንምባል ዝከላኸሉ ዝነበሩ ሰባት የርእዩ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61299984"} {"headline":"ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ህዝባዊ ተቓውሞ ንምብታን መንብዒ-ጋዝ ተጠቒሞም","content":"ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ነቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣሐይሉ ዝቕጽል ዘሎ ተቓውሞ ሰልፈኛታት ንምብታን መንብዒ ጋዝ ተተቒሞም ተባሂሉ። እቲ ሰልፊ ቴቓውሞ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ካርቱም እዩ ዝካየድ ዘሎ። ናብቶም ሰልፈኛታት ዝተሓወሰ 'ሴንትራል ኮሚቴ ዶኳትር' ብዝብል ዝፍለጥ ሓያል ጉጅል ዝርከቦ ኾይኑ፤ ኣብቲ ተቓውሞ ብፍላይ ድማ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ፈጢርዎ ዘሎ ጽልዋ ኣጉሊሕዎ ኣሎ። ኣብ መንጎ ንዲሞክራሲ ቃልሲ ዘካይዱ ሰልፈኛታትን ወተሃደዊ ሓይልን ዘሎ ዘይምስምማዕ ዝቐጸለ ኾይኑ፡ እቲ ናብ ቦትኡ ተመሊሱ ዝነበረ ቀማይ ሚነሲተር ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብገዛእ ፍቓዱ ካብ ስደልጣኑ ምውራዱ ዝዝከር እዩ። ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን፡ ቮለከር ፐርትስ፡ ክልቲኦም ወገናት ተቐራሪቦም ክዝትዩ ብቴሊፎን ብምዝርራብ ከምዝሓበሮም'ውን ተፈሊጡ ኣሎ። እንተኾነ እቲ ኣቕሪብዎ ዝተብሃለ ምኽረ ሓሳብ፡ ኣብ ዳርፉር ብዝርከቡ ናይ ንግዲ ማሕበራትን ዕጡቓትን ከቢድ ተቓውሞ ገጢምዎ ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፡ ብሰራዊት ሃገሩ ብዝተፈተነ ዕልዋ ኣብ ናይ ቤት ማሕዩር ድሕሪ ምጽንሑ ብጸቕጢ ህዝባዊ ተቓውሞን ዓለመረ ለኻዊ ጸቕጥታን ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ናብ ስልጣኑ ተመሊሱ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ሰራዊት ሱዳን ኣብ ጥቅምቲ ብዘካየዶ ዕልዋ ንሚኒስተር ሓምዶክ ኣብ ቤቱ ቀይዱዎ ድሕሪ ምጽናሕ ብዝተገብረ ውዕል ሽርክነት ስልጣን'ዩ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ስልጣን ተመሊሱ ነይሩ። እቶም ተቓወምቲ ግን ምሉእ ብምሉእ ሲቪላዊን ፖለቲካዊን ምምሕዳር ክግበረሎም ስለዝደለዩ ነቲ ምስ ሰራዊት ዝተገብረ ናይ ስልጣን ሽርክነት ነጺጎምዎ። ኣብዚ እዋን ሱዳን ኣብ \"ሓደገኛ መቐይሮ\" ከምዘላ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ ብቴለቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ነዚ ስዒቡ ኣሜሪካ ሓዊሱ፡ ምዕራባውያን ሃገራት፡ እቲ ሰራዊት ናይ ባዕሉ ቀደማይ ሚኒስተር ከይሸይም ኣጠንቂቖም ኣለዉ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59933251"} {"headline":"ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ሓዋ ጸጉራ ዝቖረጸት ኢራናዊት","content":"ኣብ ኢራን ድሕሪ ሞት ጓል 22 ዓመት ማህሳ ኣሚኒ ብዝተበገሰ ናዕብታት ዛጊድ ልዕሊ 70 ሰባት ከምዝሞቱ ተፈሊጡ'ሎ። ሓንቲ ኢራናዊት ሓሳብ ሓዋ ልክዕ ከምዝነበረ ንምግላጽ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሩ ጸጉራ ቆሪጻቶ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv21vgx14d5o"} {"headline":"ቻይና፡ ተቓውሞታት ብሓይሊ ፖሊስ ትጭፍልቕ","content":"ኣብ ቻይና፡ ኣንጻር ዕጽዋታት ኮቪድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ዝነተጐ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ሰበሰልጣን 'ታ ሃገር ተሪር ስጕምቲ ኣብ ዝወስዱሉ ዘለው ኣብዚ ሕጂ እዋን ብመጠኑ ዛሕቲሉ ይርአ'ሎ። ጻዕቂ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ዝተዘርግሐ ኰይኑ፡ ገለ ምትእኽኻባት ተቓውሞ ኣብኡ እንከሎ ክብርዕን ተገይሩ እዩ። ሰባት ሞባይላቶም እናተሓድጕ ተፍትሽ ይግበረሎም ከም ዘሎ ድማ ካብታ ሃግር ዝወጽኡ ዘለው ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ቻይናውያን ግን ተቓውሞኦም ይቕጽሉ ኣለዉ። ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ኡሩምቂ ምዕራብ ቻይና፡ ኣብ ሓደ ዓቢይ ህንጻ ብዘጋጠመ ባርዕ 10 ሰባት ድሕሪ ምማቶም እዩ፡ እቲ ናዕቢ ካብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ተጓሃሂሩ። ነበርቲ፡ ካብቲ ባርዕ ኣምሊጦም ነብሶም ከድሕኑ ዘይከኣሉሉ ምኽንያት፡ ብሰንኪ ዝተነብረ ዕጽዋ ኮሮና ከም ዝዀነ እዩ ብሰፊሕ ዝእመን። ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ግን ነዚ ክሲ ኣይቅበልዎን። ከም ሳዕቤን ናይዚ፡ ኣሽሓት ሰባት ናብ ጐደናታት ብምውጻእ ዕጽዋ ኮሮና ከብቅዕ ዝጠልብ ሰልፊታት ኣካይዶም፤ ኣብ ገሊኡ ድማ ፕረዚደንት ዢ ጂንፒን ካብ ስልጣኑ ክወርድ ክጽውዖ ተሰሚዖም። ብሰኑይ ግን፡ ኣባላት ፖሊስ ንመአከቢ ቦታ ስለዝኸበብዎ እቲ ኣብ በይጂንግ ክግበር ተወጢኑ ዝነበረ ዝተወደበ ሰልፊ ክግበር ኣይተኻእለን። ኣብ ሻንጋይ ከኣ፡ ፖሊስ ዓበይቲ ሓጹራት ብምትካል ነቲ ምንቅስቓስ ክቈጻጸሮን ሓያሎ ኣድመኛታት ክኣስርን ክኢሉ። ጕጅለ ኣድመኛታት፡ ዳግማይ ኣብ ጐደናታት ወጺኦም ክስለፉ ከም ዝግባእ ብምግላጽ ብማሕበራዊ መራኸቢ ተሌግራም ክወዳዳቡ ምዃኖም ምስተፈልጠ፡ ሰሉስ ንግሆ ፖሊስ ሰራዊት ብፍላይ ኣብዘን ከተማታት ብብዝሒ ኮለላ ክገብር ተራእዩ። ሰኑይ ምሸት ኣብ ደቡባዊት ከተማ ሃንዙ ተጀሚሩ ዝነበረ ሰልፊ፡ ሓያሎ ሰባት ብምእሳር ብቕጽበት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከም ዝወዓለ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ። ኣብ ሆንግ ኮንግ ግን፡ ኣድመኛታት ኣብ ማእከል ከተማ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቻይና-ሆንግ ኮንግን ብምትእኽኻብ ነቲ ኣብ ውሽጢ ቻይና ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ዘለዎም ድጋፍ ገሊጾም። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዓለም፡ ለንደን፡ ፓሪስ ቶክዮን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲታት ቻይና ከምኡ’ውን ኣብ ዩኒቨርሲታት ኣሜሪካን ኣውሮጳን ሓያሎ  ሰልፊታት ተቓውሞታት ቀጺሉ’ሎ። ሓደ ተንታኒ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ቻይና ዝካየድ ዘሎ ሰልፊታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ትንታነ፡ እዚ ኣድማ  ቀልጢፉ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝቕህም ኣይኰነን፤ ሰባት ቍጽጽር ክግበረሉ ብዝኽእል ኣገባብ ዘይኰነስ ብመገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት እዮም ተጸዋዊዖም ናብ ጐደናታት ዝወጽኡ ዘለዉ ኢሉ። ኣብ ሃገራዊ ዩኒቨስሲቲ ሲንጋፖር ዝምህር ፕሮፈሰር ድሪው ቶምፕሰን ግን፡ “ገዚፍ ዓቕሚ ፖሊስ ቻይና ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ፡” ብምባል፡ ቻይና ነዚ ተቓውሞታት ክትቈጻጸር ዘለዋ ዓቕሚ ልዑል ምዃኑ ኣገንዚቡ። ቻይና፡ እታ እንኮ ጽኑዕ ፖሊሲ ‘ዜሮ ኮቪድ’ ዘለዋ ዓባይ ቁጠባ ኰይና፡ ሰበስልጣን እታ ሃገር ንኣሽቱ ለበዳታት ኣብ ዝረኣየሉ እዋን’ውን ፍጹም ከምዘይጻወሩን፡ ጃምላዊ መርመራ፡ ውሸባን ሃንደበታዊ ዕጽዋታትን ከም ዘካይዱ እዩ ዝፍለጥ። ቻይና ናይ ባዕላ ክታበት ጸረ-ቫይረስ ኮሮና ዘማዕበለት’ኳ እንተዀነት፡ ከምቲ ኣብ ካልእ ቦታታት ዝማዕበለ፣ ንኣብነት ፋይዘርን ሞደርናን ኣድማዒ ከምዘይኰነ እዩ ዝግምገም። ክልተ ዶዝ ፋይዘር 90% ዓቕሚ ምክልኻል ክህልዎ እንከሎ፡ ቻይናዊ ሲኖቫክ ግን 70% መከላኸሊ ጥራይ’ዩ ዝህብ። እዚ ኰይኑ’ውን እቲ ክታበት ንብዙሕ ሰብ ኣይተዋህበን። ካብቶም ብኮቪድ ናይ ምማት ተኽእሎኦም ልዑል ዝበሃል ኣረጋውያን’ውን ክታበት ዝተዋህቦም ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። ብተወሳኺ፡ ካብ መልከፍቲ ዝደሓኑ ሰባት ዘለዎም ምምዕባል ተፈጥሮኣዊ ዓቕሚ ምክልኻል ውሑድ እዩ። ስለዚ እቲ ቫይረስ ባህሪኡ እናቐየረ፡ ካብቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝተቐልቀለሉ ኣዝዩ ብዝቐልጠፈ ክዝርጋሕ ይኽእል ማለት ኰይኑ፡ ካብተን ዕጽዋ ዝሓደጋ ሓያሎ ሃገራት እቲ ቫይረስ ናይ ምእታው ቀጻሊ ሓደጋ ኣሎ። ብሰንክ’ዚ እዮም ድማ ሰበስልጣን ቻይና፡ ገለ ምልክታት ኣብ ዝረኣየሉ እዋን ተቐዳዲሞም ዕጽዋ ዘንብሩን፡ እዚ ኣገባብ ኣሰልቺዎም ኣብ ጐደናታት ወጺኦም ምስ ዝቃወሙን ድማ ኣብ ግጭት ዝኣትዉን ዘለዉ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cgren4d441zo"} {"headline":"ሰልፈኛታት ሊብያ ንህንጻ ፓርላማ'ታ ሃገር ወሪሮም","content":"ኣብ ትሪፖሊ ሊብያ ኣብ ውሽጢ ኣደባባይ ሰማእታት፡ ንዝተፈጥረ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሰልፈኛታት ተቓውሞኦም ኣስሚዖም። ሰልፈኛታት ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ቶብሩክ ናብ ዝርከብ ፓርላማ ሊብያ ተጒጐም ብምእታው ዝወረርዎ ኰይኖም፡ ንገለ ክፋል ናይቲ ህንጻ ድማ ሓዊ ከምዝሰደድሉ ይግለጽ ኣሎ። ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርግሑ ምስልታት፡ እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ደገ ጎማታት መኪና ከቃጽሉ እንከለዉ፡ሓያሎ ትኪ ከምዘርእዩ ይሕብሩ። ኣብ ካልኦት ከተማታት ሊብያ ድማ፡ ብቐጻሊ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ ምውሳኽ ዋጋታትን ፖለቲካዊ ዕንቅፋትን ዝቃወሙ ሰልፍታት ተኻይዶም'ዮም። ኣብታ ተቓዋሚ ስልጣን ዝሓዘላ ርእሰ ከተማ ትሪፖሊ፡ ሰልፈኛታት ምርጫ ክካየድ ጸዊዖም። ጠለብ እቶም ተቓውም ዘስምዕ ዘለዉ ሰልፈኛታት፡ ብሓላፊ ግዝያዊ መንግስቲ ዓብደልሓሚድ ድበይባ፡ ዝተደገፈ ኮይኑ፡ ኩሎም ትካላት እታ ሃገር ክቕየሩ ከምዘለዎም ገሊጹ። እዚ ናዕቢ ዝፍጸም ዘሎ፡ ኣብ ጀነቫ ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት ዝካየድ ዘሎ፡ መረጻ ክካየድ መንገዲ ንምጽራግ ዝዓለመ ዝርርብ፡ ውሑድ ምዕባለ ከይተራእየ ድሕሪ ምዝዛሙ ሓደ መዓልቲ’ዩ። ሊብያ ኣብ 2011 ብኔቶ ብዝተደገፈ ናዕቢ ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ኮሎኔል ሙዓመር ቃዛፊ ካብ ዝእለ ጀሚራ ኣብ ህውከት ኣትያ ትርከብ። እታ ብነዳዲ ዝሃብተመት ሃገር፡ ንገለ ካብቶም ናብ ኤውሮጳ ዝገሹ ኣሽሓት ስደተኛታት ቁልፊ መበገሲት ኮይና፡ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዋ ዝለዓለ ደረጃ መነባብሮ ዝነበረን ሃገራት ነይራ፤ ነጻ ኣገልግሎት ጥዕናን ነጻ ትምህርትን ትህብ ምንባራ ይዝከር። እቲ ናብ ብልጽግና ዝመርሐ ምርግጋእ ግን ተበላሽዩ ፤ ርእሰ ከተማ ትሪፖሊ ድማ ኣብ መንጎ ተነሓናሕቲ ሓይልታት ተደጋጋሚ ጎንጺ ተራእዩ ኣሎ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c84xq8lpzwlo"} {"headline":"ንመራሕቲ ቻይና ዓቢይ ብድሆ ዝዀነ ዘሰንብድ ተቓውሞ ይቕጽል ኣሎ","content":"ኣብ ቻይና ተግባራት ተቓውሞ ዘይተለምዱ ኣይኰኑን። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ካብ መርዛም ብከላ ክሳብ ዘይሕጋዊ ምምንዛዕ መሬት፡ ወይ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣባል ማሕበረሰብ ብፖሊስ ዝፍጸም ግፍዒ፡ ሃንደበታዊ ብዙሓት ተቓውሞታት ክለዓሉ ምኽንያታት ኰይኖም እዮም። ኣብዚ ግዜ እዚ ግን ዝተፈለየ እዩ። ኣብ ኣእምሮ ህዝቢ ቻይና ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ሓደ ኣርእስቲ ኣሎ። ብዙሓት ድማ ብእኡ ይጽገሙ ጥራይ ዘይኰነ፡ ቅጭ መጺእዎም ኣሎ። እዚ ድማ መንግስቲ ዝርጋሐ ኮቪድ ንምግታእ ዝገብሮ ዘሎ ተሪር እገዳታት እዩ። ነበርቲ፡ ማሕበራዊ ርሕቐት ንምትግባር ዝተዳለዉ መሰናኽላት ብምስባር፡ ኣብ መላእ ሃገር፡ ኣብ ከተማታትን ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲታትን ኣብ ጐደናታት ዓበይቲ ተቓውሞታት የካይዱ ኣለዉ። ብገለ መልክዑ ኣብ ከተማ ሻንጋይ መራሒ ቻይና ዢ ጂንፒንግ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ይጽውዑ ኣለው። ኣብ ቻይና ንዋና ጸሓፊ ደሳዊ ሰልፊ ብግልጺ ምንቃፍ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክትኣቱ ዘኽእል ገበን እዩ። ብዙሓት ሰልፈኛታት፡ እታ ሃገር እትኽተሎ ፖሊሲ ‘ዜሮ መልከፍቲ’፡ ባርዕ ሓዊ 10 ነበርቲ ዝቐተለላ ከተማ ዚንጂያንግ፡  ነቲ ናይ ምድሓን ጻዕሪ ዕንቅፋት ኰይኑ ኢሎም ይወቕሱ። ሓደ ሰልፈኛ \"ዢ ጂንፒንግ!\" ኣማኢት ድማ \"ካብ ስልጣን ውረድ!\" ደጋጊምካ፡ \"ዢ ጂንፒንግ - ውረድ! ዢ ጂንፒንግ - ውረድ!\" እቲ ጭርሖ'ውን \"ዴሳዊ ሰልፊ - ውረድ! ዴሳዊ ሰልፊ - ውረድ!\" ኣብ ስልጣን ካብ ምጽናሕ ዝዓቢ ካልእ ቀዳምነት ንዘይብሉ ፖለቲካዊ ውዳበ፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ተቓውሞታት ዓቢ ብድሆ እዩ። መንግስቲ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝኽተሎ ፖሊሲ ‘ዜሮ መልከፍቲ’ ዘሎ ዘይዕጕብነት ኣዝዩ ኣቃሊሉ ዝወስዶ ዘሎ እዩ ዝመስል። ሰበ-ስልጣን ቻይና፡ እቲ ፖሊሲ ‘ዜሮ መልከፍቲ’ ዝዀነ ዕንቅፋታት ከይህልዎ ክሰርሑ ጸኒሖም እዮም። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ዘመሓድር ዘሎ ሰልፊ ካብዚ ጉዳይ ቀሊል መውጽኢ ከምዘይብሉ እናተጋህደ ይመጽእ ኣሎ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cz9yw00g19do"} {"headline":"ባይቶ ኣደስኪሉ ስልጣን ዝበሓተ ፕረዚደንት ክወርድ ይሕተት","content":"ኣሽሓት ሰልፈኛታት ቱኒዝያ፡ ኣብ ጐደናታት ርእሰ ከተማ ‘ታ ሃገር ወጺኦም፡ ነቲ ባይቶ ኣደስኪሉ ቅዋም ብምምሕያሽ ስልጣኑ ከጽንዕ ዝፍትን ዘሎ ፕረዚደንት ስልጣኑ ክለቅቕ ይጽውዑ ኣለው። ኣብ ቱኒዝ፡ እቶም ንሓድሕዶም ዓሚቝ ፍልልያት ዘለዎም ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት በበይኖም’ዮም ሰልፍታት ኣካይዶም። እንተዀነ ክልቲኦም ፖለቲካዊ ጕጅለታት፡ ፕረዚደንት ካይስ ስዒድ ድሕሪ ኣብ 2011 ለውጢ ንዝተራእየ ዲሞክራስያዊ ምዕባለ ንድሕሪት ዝጐተት ዘሎ መላኺ ምዃኑ ወጊዞም። ብተወሳኺ፡ ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ሕጽረት መግብን ነዳድን ተኸሲቱ ዘሎ ቍጠባዊ ቅልውላው ተሓታትነት ክህሉ ሓቲቶም። ብዙሓት ነቐፍቲ፡ ፕረዚደንት ስዒድ፡ ዕልዋ መንግስቲ ብምክያድ፡ ንቱኒዝያ ፍጹም ስልጣን ናብ ዘለዎ ምልኪ -  ብሓደ ሰብ ዝመሓደር ስርዓተ መንግስቲ - ንምምላስ ፈቲኑ ክብል ይኸስዎ። እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ ሓምለ 2021 ንቐዳማይ ሚኒስተር ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምብራርን ባይቶ ድሕሪ ምድስካልን፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ብቐንዲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ዝተነጽገ ስልጣን ሓደ ሰብ ዘጽንዕ ቅዋም ነዲፉ። እቲ ሓድሽ ቅዋም፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2011 ን ውልቀመላኺ ዜን ኣል-ዓቢዲን ቤን ዓሊ ካብ ስልጣን ዝገለፈ ጽድያ ዓረብ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ዝተነድፈ ቅዋም ዝትክእ ዘሎ እዩ። እዚ ቅዋም፡ ነቲ ፕረዚደንት ምሉእ ስልጣን ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊትን ብዘይ ፍቓድ ባይቶ ዝዀነ መዝነታት ክህብ ዘኽእል ስልጣን ዝህቦ እዩ። ፕረዚደንት ስዒድ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ልምሰትን ቍጠባዊ ድህከትን ንምቕልባስ ኣድላዪ ስጕምቲ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። ብተወሳኺ፡ ዘካይዶ ዘሎ ጽገናታት ብመንፈስ ሰውራ 2011 ዝተደረኸ፡ ዝሓሸ መጻኢ ዘረጋግጽን እዩ፡ ክብል ይምጕት። ደገፍቱ ንስጕምትታቱ ብሓጐስ ዝተቐበልዎ ኰይኖም፣ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዝተበታተነን ብልሹውን ስርዓት ንምምካት ሓያል መራሒ ከምዘድሊ ይገልጹ። ብቐዳም ኣብ ማእከላይ ቱኒዝ ኣብ ጐደናታት ዝወጽኡ ሰልፈኛታት፡ “ውድቀት ንውልቀመላኺ ካይስ፣ ዕልዋ መንግስቲ ክፈሽል እዩ!” ዝብል ጭርሖታት ከስምዑ ውዒሎም። ሓደ ካብቲ ሰልፍታት፡ ባይቶ ‘ታ ሃገር በቲ ፕረዚደንት ቅድሚ ምድስካሉ ነቲ ባይቶ ዓብሊሉ ዝነበረ እስላማዊ መንፈስ ዘለዎ ሰልፊ ኣልናህዳ ዝርከቦም ተቓወምቲ ሰልፍታት ዝሓቘፈ ጥምረት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ዝወደቦ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ቱኒዝያ ነበርን ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣልናህዳን ዓሊ ላራየድ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ - ኤኤፍፒ - ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ተቓውሞ መግለጺ \"ኣብ ትሕቲ ካይስ ስዒድ ንዝተፈጥረ ቁጥዐ\" እዩ ክብል ብምግላጽ፣ \"[ስልጣን] ክለቅቕ ኢና ንነግሮ ዘለና፡\" ኢሉ። ንሱ ወሲኹ፡ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ተስፋ ምቝራጽ፡ ድኽነትን ሽቕለት ኣልቦነትን ጠቒሱ፡ ሚስተር ስዒድ ኣብ ስልጣን እንተቐጺሉ፡ \"ቱኒዝያ መጻኢ ኣይክህልዋን እዩ፡” ኢሉ። ግንባር ​​ሃገራዊ ድሕነት፡ ድሩት ስልጣን ዘለዎ ሓድሽ ባይቶ ንምምራጽ ኣብ ታሕሳስ ክግበር ተወጢኑ ንዘሎ ምሃብ ድምጺ ከም ዘይቅበል ኣፍሊጡ። ዓሚቝ ስነ-ሓሳባዊ መቐናቕንቲ ኣልናህዳ ዝዀነ ዓለማዊ ሰልፊ፡ ናጻ ‘ዲስቶሪያ’ እውን ትማሊ ቀዳም ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ሰልፊ ተቓውሞ ኣካይዱ እዩ። ገለ ካብቶም ሰልፈኛታታ፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ መስከረም 9.1 ሚእታዊት ዝበጽሐ መጠነ ዝቓበበ፡ ዝሰዓበ ወሰኽ ዋጋ ዝስተ ማይ ንምምልካት ጥርሑ መትሓዚ ማይ ሒዞም ተራእዮም። ፕረዚደንት ስዒድ፡ \"ዋላ ሓንቲ ዝወሰዶ ስጕምቲ የለን፣ ነገራት ድማ እናኸፍኡ ጥራይ እዮም ዝኸዱ ዘለዉ\" ትብል 60ታት ዝዕድመኣ ጡረተኛ ሱዓድ። ኣብ 2011 ዝተኻየደ ሰውራ ቱኒዝያ ካብ መብዛሕትኡ ኣብቲ ዞባ ዝተኻየደ ናዕቢ ጽድያ ዓረብ እቲ እንኮ ዕዉት ምዃኑ ዝግለጽ’ኳ እንተዀነ፡ ቍጠባውን ፖለቲካውን ምርግጋእ ግን ኣየምጽአን። እታ ሕጽረት ገንዘብ ኣጓኒፉዋ ዘሎ ቱኒዝያ፡ ኣስታት 2 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ለቓሕ ንምሕዋይ ምስ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ትዘራረብ ኣላ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cmjxxlv3xvyo"} {"headline":"ኣብ ህንጻ ፓርላማ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝበጽሐ ሓደጋ ባርዕ ሓደ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ኣትዩ","content":"ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ኬፕታውን ዝርከብ ህንጻ ፓርላማ ብሓያል ባርዕ ምንዳዱ ስዒቡ፤ ሓደ ጥርጡር ኣብ ቐይዲ ኣትዩ። ወሃቢ ቃል ፖሊስ ከምዝበሎ በቲ ሓደጋ ምብጻሕ ዝተጠርጠረ ውልቀሰብ፡ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ሒዝካ ብምንቅስቓስ፣ ናብ ገዛ ሰይርካ ብምእታውን ብስርቅን ዝተኸሰ ኸይኑ፤ ጽባሕ ሰሉስ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እዩ። ብዙሓት ሰራሕተኛታት ምቁጽጻር ሓደጋ ባርዕ ናብቲ ቦታ ዝተዋፈሩ ኮይኖም፤ መንቀሊ እቲ ባርዕ ብዝምልከት ግን ዛጊድ ኣብ ምጽራይ እዩ ይርከብ። ብቪድዮ ዝተዘርግሐ ምስሊ፤ ናብ ሰማይ ዝተኽኽ ጸሊም ትኪ ከምኡ’ውን ካብ ውሽጢ ህንጻ ፓርላማ ዝወጽእ ሃልሃልታ ሓዊ የርእይ። እቲ ሓደጋ ባርዕ፡ ስነስርዓት ምስናይ ሬሳ ደቡብ ኣፍሪቃ ሊቀ-ጳጳስ ዴስሞንድ ቱቱ ኣብ ጥቓ እቲ ህንጻ ፓርላማ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ቅዱስ ጊዮርጊስ ካብ ዝካየድ ድሕሪ ሰዓታት’ዩ ኣጋጢሙ ዘሎ። ናብቲ ከባቢ ከይዱ ነቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ዝተመልከተ ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎሳ፡ ነቲ ተጓንፎ \"ኣዝኡ ዘስንብድን አዕናዋይን ፍጻመ\" ክብል ገሊጽዎ። ኣብ ልዕሊ'እንዳ ዲሞክራሲና ዝተፈነወ መጥቃዕቲ' ክብል ድማ ነቲ ተግባር ኮኒኑዎ። ኣባላት ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ሕዚ ኣብ ዕረፍቲ ዝርከቡ ስለዝኾኑ፡ ኣብ ውሽጢ ዝኮነ ሰብ ከምዘይነበረን፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝበጽሐ ጉድኣት ከምዘየለን ተሓቢሩ። ኣብ ከተማ ኬፕ ታውን ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኖምሳ ማሴኮ፡ ንሰበ ስልጣን እታ ሃገር ጠቂሱ፤ እቲ ባርዕ ሓዊ ኣብ ሳልሳይ ደብሪ [ደርቢ] ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ ጽህፈት ጀሚሩ ናብ ኣዳራሽ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ከምዝተላበዐ ገሊጹ። “እቲ ባርዕ ዛጊድ ምቁጽጻር ኣይተኽኣለን። ኣብ መንደቕ እቲ ህንጻ’ውን ምስንጣቕ ከምዘጋጠመ ተሓቢሩ’ሎ” ክብል ወሃቢ ቓል ኣገልግሎታት እዋን ሓደጋ ከተማ ኬፕታውን ብሰንበት ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ። ቤት ጽሕፈት ፓርላማ እታ ሃገር ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ገለ ክፋል እቲ ሓድሽ ብመቐጸልታ ዝተሰርሐ ህንጻ እቲ ቤት ምኽሪ 'ንእሽቶ ዘይበሃል ጉድኣት' ከምዝበጽሖ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ኣብ ኬፕታውን ዘሎ ህንጻ ፓርላማ ኣብ ሰለስተ ዝኽፈል ክኸውን ከሎ፡ እቲ ኣረጊት ናይ 1884 ህንጻ፣ ኣብ 1920ታት ዝተሃነጸ ሓድሽ ህንጻ ከምኡ’ውን ኣብ 1980ታት ዝተሃነጸ መእከቢ ኣዳራሽ ባይቶ እዮም።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59851238"} {"headline":"ካብ ዩኒቨርሲቲ ብምእጋደን ንዝተቓወማ ደቂኣንስትዮ ዝኣስር ዘሎ መንግስቲ","content":"ጣሊባን፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ካቡል፡ ኣብ ዩኒቨርሲታት ንዝመሃራ ደቂ ኣንስትዮ እገዳ ንከይግበር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ዝተሳተፋ ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ’ሎ ። ከም ሳዕቤኑ፡ ኣብ ኣውራጃ ታካር እውን ተቓውሞታት ተላዒሉ፡ ሰለስተ ጋዜጠኛታት ከኣ ተኣሲሮም። ኣብ ጽባሕ እቲ እገዳ ዝተኣወጀሉ ዕለት ሓለዋ እቲ ዩኒቨሪስቲ፡  ብኣማኢት ንዝቝጸራ ደቀንስትዮ ተማሃሮ ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ከይኣትዋ ከልኪሎምወን። ጣሊባን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ስልጣን ምስተመልሰ ደቀንስትዮ ንኸይመሃራ ዝእግድ ፖሊሲ እዩ ዘተግብር ዘሎ ። ድሮ ደቀንስትዮ ካብ መብዛሕትአን ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ድሮ ተገሊለን ኣለዋ ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ሚኒስተር ላዕለዋይ ትምህርቲ ብሰሉስ ናይ ህዝብን ናይ ውልቀን ዩኒቨርሲቲታት፡ ደቂ ኣንስትዮ ንኸየምህር ዝእግድ ትእዛዝ ድሕሪ ምምሕልላፉ ብኡንብኡ ተግባራዊ  ኮይኑ። ምኒስትሪት ምህርቲ እቲ ናይ ዩኒቨርሲቲ ስርዓተ-ትምህርቲ ተገምጊሙ ንደቂ ኣንስትዮ ዝወሃብ ካሪክለም ክሳብ ዝዳሎ እተን ደቀንስትዮ ካብ ትምህርቲ ተገሊለን ክጸንሓ ከምዘለወን ገሊጹ ። ትማሊ ሓሙስ ኣስታት ክልተ ደርዘን ዝኾና ሕጃብ ዝገበራ ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ውሳነ ብምቅዋም ኣብ ጐደናታት ካቡል እናጨረሓ ክዞራ  ኣብ ማሕበራዊሚድያ ተራእየን። እተን ሰልፈኛታት ደቀንስትዮ ፈለማ ኣብ ቅድሚ’ቲ ኣብታ ሃገር ዝዓበየን ዝበለጸን ዩኒቨርሲቲ ካቡል ክእከባ እኳ እንተ መደባ፡ ነቲ መደብ ኣቐዲሞም ዝፈለጡዎ ሰበ-ስልጣን ብዙሓት ኣኽበርቲ ጸጥታ ስለዘዋፈሩ ነቲ ዝእከባሉ ቦታ ቀይረንኦ። ኣብቲ ተቓውሞ ዝተሳተፋ ሓያሎ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብደቀንስትዮ ኣባላት ጣሊባን ከም እተሃርማን ከምእተኣስራን  ንቢቢሲ ሓቢረን። ሓንቲ ካብተን ተቓወምቲ ካብ ማእሰርቲ እኳ እንተምለጠት ብሕማቕ ከምእተሃርመት ንቢቢሲ ሓቢራ። ሓንቲ ሽማ ክትገልጽ ዘይደለየት ጓለንስተይቲ፡ \"ኣብ መንጎና ብዙሓት ኣባላት ጣሊባን ደቂ ኣንስትዮ ነይረን\" ኢላ። \"ንገለ ካብተን ምሳና ሰልፊ ዝገበራ ደቅና ሃሪሞመን፡ ንገሊአን እውን  ኣሲሮምወን። ኣነ ግን ዕድል ገይረ ካብ ማእሰርቲ ኣምሊጠ፤ ይኹን እምበር ብሕማቕ ተቐጥቂጠ እየ \" ኢላ። ሓንቲ ካልእ ተቓዋሚት ድማ፡ ክልተ ካብተን ዝተኣስራ ሰባት እኳ እንተተፈትሓ ካልኦት ሓያሎ ግን ገና ተኣሲረን ኣለዋ ኢላ። ሓደ ሓደ ሰብኡት ነተን ተቓወምቲ ደቀንስትዮ ብምድጋፍ ብህዝባዊ ኣብያ ደገፎም ገሊጾም ኣለው። ኣብ ህዝባውን ውልቃውን ትካላት ዝምህሩ ዝነበሩ ኣስታት 50 ፕሮፌሰራት ዩኒቨርሲቲ ብገዛእ ፍቓዶም ካብ ሓላፍነቶም ወሪዶም። ገሊኦም ደቂ ተባዕትዮ ተመሃሮ ከኣ፡ ፈተና ካብ ምውሳድ ተሓሲሞም ኣለው። ኣመሪካ ካብታ ሃገር ድሕሪ ምውጻኣ  ኣብ ነሓሰ 2021 ስልጣን ዝሓዘ ጣሊባን ፍኹስ ዝበለ ስርዓተ ምሕደራ ከም ዝህሉ ቃል እኳ እንተኣተወ  እቶም ኣኽረርቲ ተኸተልቲ እምነት ምስልምና ግን፡ ኣብታ ሃገር ንዝጸንሐ መሰላትን ናጽነትን ደቂ ኣንስትዮ ኣጊዶምዎ ኣለው። ጣሊባን ኣብ ኣፍጋኒስታን ስልጣን ምስ ሓዘ ብደቂ ኣንስትዮ ዝምራሕ ተቓውሞታት እናበዝሐ ይኸይድ ኣሎ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ሓያሎ ደቀንስትዮ ተቓወምቲ፡ ማእሰርቲ፡ ዓመጽን ማሕበራዊ ኣድልዎን የጋጥመን ኣሎ። ቅድሚ እቲ ሰሉስ ዝወጸ ናይ እግድ መግለጺ እውን፡ ዩኒቨርሲቲታት ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ኣድልዎ ብዝመልኦ ሕጊ እየን ክሰርሓ ጸኒሐን። ንጾታ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣፍደገታትን መምሃሪ ክፍልታትን ተፈጢሮም ነይሮም። ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ወይ ዕድመ ዝደፍኡ ፕሮፌሰራት ጥራሕ እዮም ንደቂ ኣንስትዮ ክምህሩ ተፈቒዱሎም ነይሩ።  ኣብ ርእሲኡ፡ እተወሰነ ዓይነት ትምህርቲ ጥራይ ክመሃራ እዮም ዘፍቅዱለን ነይሮም። ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ትምህርትን ባህልን ዩኒስኮ፡ ካብታ ጣሊባን ብኣመሪካ ካብ ስልጣን እተኣልየላ ዓመተ 2001 ክሳብ ጣሊባን ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ዝምለስ መጠን ተሳታፍነት ደቀንስትዮ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ብ20 ዕጽፊ ከምዝወሰኸ የረድእ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c512kk0gj9ko"} {"headline":"ቻይና፡ ተቓውሞ ኣንጻር እገዳታት ኮሮና ሰፊሑ ይቕጽል","content":"ኣብ ቻይና ዩሩሙኪ ኣብ ዝተበሃለ ቦታ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ፡ ዓሰርተ ሰባት ስለዝሞቱ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ኣንጻር እገዳታት ኮሮናቫይረስ ሓይሉ ከምዝቐጸለ ተገሊጹ። ኣብ ሻንጋይ ብጋዜጠኛታት ወጻኢ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተሓተሙ ቪድዮታት፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ናብ ጐደናታት ወጺኦም ነቶም ግዳያት ሓደጋ ባርዕ ብምዝካር ኣንጻር እገዳታት ኮሮናቫይረስ ተቛውሞታት ኣስሚዖም። ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰልፈኛታት ድማ ፕረዚደንት ዢ ጂንፒንግ ካብ ስልጣኑ ንኽወርድ ጸዊዖም። ብዙሓት ሰባት እቲ ሓደጋ ባርዕ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ዝተነብረ ዕጽዋ ከምዝዀነ ይነቕፉ። እንተዀነ ሰበ ስልጣን ቻይና እቲ ዝቐረበ ምኽንያት ከምዘይኮነ ይነጽጕ። ሰበስልጣን ዩሩሙኪ ግን ቅድሚ ሕጂ ብዘይተለመደ ኣገባብ ኣብ ዘውጽዎ መግለጺ፡ ብዓርቢ ይቕሬታ ድሕሪ ምሕታት፡ ኣብ ልዕሊ'ቶም ሓላፍነቶም ብግቡእ ዘይተዋጽኡ ሰባት ስጕምቲ ከምዝውሰድ ተሓንዮም። ኣብቲ ኣብ ሻንጋይ ዝተገበረ ምትእኽኻብ ገለ ሰባት ንዝኽሪ እቶም ግዳያት ሽምዓ ከብርሁን ሕቝፊ ዕንበባ ከንብሩን ተራእዮም። ካልኦት ሰባት ድማ “ዢ ጂንፒን ውረድ፣ ዴሳዊ ሰልፊ ውረድ” ዝብል ጭርሖታት ብዓውታ ከስምዑ ተራእዮም። ገሊኦም ድማ ዋላ ሓንቲ ትሕዝቶ ዘይብሉ ጻዕዳ ባነር ሒዞም ከምዝነበሩ ተፈሊጡ። ኣብ ቻይና ኣንጻር መንግስቲ ይኵን ፕረዚደንት ቀጥታዊ ነቐፌታ ምቕራብ ስጕምቲ ስለዘውስድ፡ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጠለባት ልሙዳት ኣይኰኑን። ገለ ኣብቲ ተቛውሞታት ዝተሳተፉ ሰባት ኣብ ልዕሊ ነቶም ሰልፈኛታት ዝሕልዉ ዝነበሩ ፖሊስ እታ ሃገር’ውን ተቓውሞኦም ኣስሚዖም። ሓደ ካብቶም ተቓወምቲ ንኣሶሽየትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሓደ ካብ መሓዙቶም ብፖሊስ ከምዝተወቕዐን ካልኦት ክልተ ኣዕሩኽቱ ድማ ብበርበረ ከምዝተዓጠኑን ሓቢሩ። ካልኦት ዝተዘርግሑ ቪድዮታት ከኣ፡ ፖሊስ፡ ሰባት ተቓውሞ ከስምዑ እንከለዉ ይዕዘቡ ከምዝነበሩ የርእዩ። እቲ ኵነታት ሎሚ ሰንበት ወጋሕታ ህድኣት’ኳ ዝተራእዮ እንተዀነ ቢቢሲ ኣብቲ ተቓውሞታት ዝካየደሉ ቦታታት ልዑል ቁጽሪ ሓይልታት ጸጥታ ከምዘሎ ተዓዚቡ። ኣብ ብዙሓት ዩኒቨርስታት ቻይና’ውን ተመሃሮ ትማሊ ቀዳም ተቓውሞታት እናስምዑ ዘርእዩ ስእልታትን ቪድዮታትን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብብዝሒ ተራእዮም። ሰባት ብብዝሒ ተኣኪቦም ዝተራእይሉ ዩኒቨርስቲ ኮሙኒኬሽንስ ናንጂን ክኸውን እንከሎ፡ ተመሃሮ ብዘይተለመደ መገዲ ኣንጻር መንግስቲ ቻይናን መራሒኣን ዓው ኢሎም ክቃወሙ ተራእዮም። እቲ ዝተዘርግሐ ቪድዮታት ግን ብዘይሻራዊ ኣካል ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ’ዩ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c1dgg4nl0xpo"} {"headline":"ጉልባብ ርእሲ ኣይንገብርን ኢለን ዝሓንገዳ ደቀንስትዮ ኢራን","content":"ማህሳ ኣሚኒ ዝተብሃለት ጓል 22 ዓመት ኢራናዊት 'ጉልባብ ርእስኺ ብዝግባእ ኣይገበርክን' ተባሂላ ምስተኣሰረት ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ህይወታ ሓሊፉ። ብሞት ማህሳ ዝተቖጥዓ መንእሰያት ኢራናውያን ደቀንስትዮ ኣብ መላእ እታ ሃገር ናዕብታት ኣልዒለን። ጉልባብ ርእሰን ደርብየን ከኣ ተቓውሞታት ይቕጽላ ኣለዋ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cgrx226jdzpo"} {"headline":"ፕረዚደንት ኢራን ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ተሪር ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣጠንቂቑ","content":"ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲ ድሕሪ እቲ ልዕሊ ሓደ ሰሙን ዝገበረ ተቓውሞታት ኣንጻር መንግስቲ፡ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣፍሊጡ። እቲ ፕረዚደንት ነቲ ናብ መብዛሕቲኡ ከባቢታት እታ ሃገር ዝተላብዐ ተቓውሞ “ብዕቱብ ንምፍታሕ” ቃል ኣትዩ'ሎ። ማህሳ ኣሚኒ ጉልባብ ርእስን ገጽን ኣይተኸደንክን ብዝብል ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ምእታዋ ስዒቡ ህይወታ ስለዝስኣነት ህዝባዊ ናዕብታት ከምዝተበገሰ ይፍለጥ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣስታት 35 ሰባት ከምዝተቐተሉ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም። እቲ ህውከትን ዕግርግርን ድማ ኣብ ካልኦት ከተማታት ቀጺሉ’ሎ። ማህሳ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ዝኣተወት ሕጊ ኣከዳድና ጉልባብ ርእሲ ጥሒሳ ብዝብል’ዩ። ፖሊስ ንማህሳ ኣብ ውሽጢ መኪና ኣእትዩ ከምዝወቕዓን ናብታ መኪና ክሳብ ምግጫው ዝበጽሕ ስጉምቲ ከምዝወሰደን’ዩ ዝግለጽ። ፖሊስ ግን ኣብ ልዕሊኣ ሃስያ ከምዘብጽሐ ዘረጋግጽ መረዳእታ ከምዘየለ ብምጥቃስ ሃንደበታዊ ድኻም ልቢ ከምዘጋጠማ ኣፍሊጡ። ፕረዚደንት ራይሲ ኣማዉታ ማህሳ ክጻረ ምዃኑ’ኳ እንተገለጸ ሚኒስተር ድሕት ውሽጢ ዓዲ ኣሕመድ ሻሃዲ ግን እታ መንእሰይ ዝኾነ ይኹን ዓይነት መውቃዕቲ ከምዘይበጽሓ ተዛሪቡ። ንሱ “ብናይ ተቖጻጸርቲ ኣካላት መረዳእታ፣ መሰኻኽር ዓይኒ፣ ቪድዮታትን ውጽኢት ምርመራ ፎረንሲክን ዋላ ሓንቲ ማህረምቲ ከምዘይበጽሓ ተረጋጊጹ’ዩ” ኢሉ። ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ዝዘዋወሩ ዘለዉ ቪድዮታት ከምዘርእይዎ ኣብ ሕሉፍ ሒደት መዓልትታት ኣብ ብዙሓት ከተማታት እታ ሃገር ናዕብን ዕግርግርን ተኸሲቶም ኣለዉ። ኣብ ከም ሰሜናዊ ምዕራብ ፒራንሻህር፣ ማሃባድን ኡርሚያን ዝበሉ ከባቢታት ድማ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ሰባት ጠያይቲ እንዳተኮሱ ተራእዮም። ትማሊ ቀዳም ድማ ኣብ ርእሰ ከተማ ኢራን ቴህራንን ካልኦት ከተማታትን ተወሰኸቲ ናዕብታት ተላዒሎም ምንባሮም ተፈሊጡ። ሰልፈኛታት ኣብ ሓደ ቦታ ንዘይምትእኽኻብ ናብ ብዙሓት ከባቢታት ይዘዋወሩ ከምዘለዉ’ዩ ዝግለጽ። ተቓወምቲ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ ናይ ቤንዚን ተፈንጃሪ ክድርብዩ እንከለዉ ዘርእዩ ስእልታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተጠቒዖም ኣለዉ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቶም ለውጢ ዝጠልቡ ዘለዉ ኣካላት ውድብ ህዝብታት እስልምና ኢራን እቲ ብኣስገዳድ ዝትግበር ዘሎ ናይ ኣከዳድና መምርሒኡ ክስርዝን ሰለማዊ ሰልፍታት ክፍቀዱን ሓቲቶም። ዓለምለኸ ተጣባቒ መሰላት ኣመንስቲ ኢንተርናሽናል ብወገኑ ሓይልታት ጸጥታ ኢራን ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ኣስካሕኻሒ ብዝኾነ መገዲ ጠያይቲ ይትኩሱ ከምዘለዉ ጭቡጥ መረዳእታ ከምዝረኸበ ብምጥቃስ ኣጠንቂቑ’ሎ። ዕጡቓት መንግስቲ ኢራን ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ጥራይ 19 ሰባት ብጥይት ከምዝቐተሉ ተሓቢሩ'ሎ። ካብኣቶም ድማ እቶም ሰለስተ ዕሸላት ከምዝኾነ ተገሊጹ። ቢቢሲ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ብናይ ባዕሉ መገዲ ከረጋግጾ ኣይከኣለን። ፕረዚደንት ራይሲ ነቲ ተቓውሞ “ህውከት” ክብል ኣነኣኢስዎ። ኢራን “ድሕነትን ጸጥታን እታ ሃገር ንዝቓወሙ ሰባት ብዕቱብ ክትሰርሓሉ ኣለዋ” ድማ ኢሉ። ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ተታሒዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣለዉ። ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ እትርከብ ግዝኣት ጊላን 60 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 739 ሰባት ከምዝተኣሰሩ ኣዛዚ ፖሊስ ገሊጹ። ካብቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ዝኣተዉ ገለ ሰባት ኣካላዊ መውቃዕቲ ከምዝተፈጸሞም ቢቢሲ ሰሚዑ'ሎ። መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዘይሻራዉያን ሚድያታትን ተቖርቖርቲ ሰባትን ወፍሪ ዝጀመረ ኮይኑ ክሳብ ሕጂ 11 ጋዜጠኛታት ከምዝተኣሰሩ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ተጣባቒ መሰል ጋዜጠኛታት ኣፍሊጡ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72eyw61qd9o"} {"headline":"ማህተመ ጋንዲ፡ ንምንታይ እዮም ቤተሰቡ ሓሙኽሽቱ ናብ ሩባ ክድርበ ዝሓቱ?","content":"ኣቦ ህንዲ እናተባህለ ዝጽዋዕ መራሒ ናጽነት ህንዲ ማህተመ ጋንዲ ካብ ዝቕተል ሎምቕነ 74 ዓመት ገይሩ ኣሎ፡፡ ኣብ ካፎርንያ ዝርከብ ሓደ ቅዱስ ስፍራ ድማ ናይቲ ተቓላሳይ ሓሙኽሽቲ ከምዘለዎ ይገልጽ፤ ምናልባት ካብ ህንዲ ወጻኢ ብሕታዊ ካብ ዝተቓጸለ ሬሳ ጋንዲ ዝተረፈ ሓሙኽሽቲ ዘለዎ ማእከል ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ‘ጋንዲ ወርልድ ፒስ ሜሞርያል’ ካብ ሆሊውድ ኣብ ናይ ደቓይቕ ርሕቐት ኣብ ዝርከብ ቃላይ ሽሪን ዝተሃነጸ ቅዱስ ስፍራ እዩ፡፡ እቲ ኣብ 1950 ብፓራማሃንሳ ዮጋናንዳ ዝተጣየሰ ማእከል፡ ኣብ መንጎ ለምለም ሕዛእትን መንጫዕጫዕታን ዝርከብ ኮይኑ ናብ ውቅያኖስ ገጽ ይጥምት፡፡ ‘ሳርኮፋገስ’ ዝተባህለ ጥንታዊ እምኒ ቻይና ነቲ ካብ ብሩርን ነሓስን ዝተሰርሐ ናይ ጋንዲ ሓምኹሽቲ ዝሓዘ ካዝና ሒዙ ከምዝርከብ እውን ይግለጽ፡፡ ጋንዲ ኣብ 1984 ምስተቐበረ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ህንዲ ዝነብር ህዝቢ ሓዘኑ ንክገልጽ፡ ሓሞኽሽቱ ናብ ልዕሊ 20 ተመቒሉ ናብቶም ከባቢታት ተላኢኹ። ገሊኡ ምቃል እውን ካብታ ሃገር ወጺኡ፡፡ \"ናይ ባፑ ሓሞኽሽቲ ንምውሳድ ሓያል ጠለብ ነይሩ’’ ይብል ካብ ደቂ ደቁ ሓደ ዝኾነ ቱሻር ጋንዲ፡፡ መቕርባቱ ባፑ ኢሎም ዝጽውዕዎ ዝነበረ ጋንዲ፡ ህንዲ ካብ መግዛእቲ ብሪጣንያ ኣብ ነሓሰ 1947 ናጻ ምስወጸት ድሕሪ ኣዋርሕ እዩ ተቐቲሉ፡፡ ቅድሚ 20 ዓመት ናይ ጋንዲ ሓሞኽሽቲ ኣብ ቃላይ ሽሪን ምህላዉ ከምዝሰምዐ ዝገልጽ ቱሻር፡ ነቲ ማእከል ንምዝርራብ ከምዝፈተነን ምላሽ ከምዘይተውሃቦን ይዛረብ፡፡ ‘‘ነቲ ሓሞኽሽቲ ምሓዝ ኣንጻር ኑዛዘ ባፑ እዩ፤ ምኽንያቱ ምስ ሞትኩ ሓሙኽሽተይ ኣወግድዎ፤ ከይተቐምጥዎ ኢሉ ነይሩ’’ ይብል፡፡ ካብቶም ነቲ ቅዱስ ስፍራ ዘመሓድሩ መነኮሳት ሓደ ዝኾነ ሪታናንዳ ግና ‘‘ነቲ መምህርና ዝመስረቶ ክነፍርሶ ኣይንኽእልን’’ ኢሉ፡፡ ብተወሳኺ እቲ ሓሞኽሽቲ ንዮጋናንዳ ዝተውሃበ ህያብ ከምዝኾነን በዚ ዝሓርቁ ሰባት ድማ ክቕበልዎ ከምዝግባእን ገሊጹ፡፡ ደቂ ጋንዲ እቲ ሓሞኽሽቲ ክምለሰሎም ወይ ክድርበ ብተደጋጋሚ ይሓቱ ምንባሮም እቲ ፈላሲ ተዛሪቡ፡፡ ነቲ ሓሞኽሽቲ ዝሓዘ ሳንዱቕ ርእይዎ ከምዘይፈልጥን እንተኾነ ቅደሚ ኣብቲ ሳርኮፋገስ ምዕሻጉ ዮጋናንዳ ሒዝዎ ዘርእይ ቪድዮ ከምዝዝክር እውን ገሊጹ፡፡ ካብዚ ወጻእ ሓሞኽሽቲ ጋንዲ ብዛዕባ ምህላዉ ዘመላኽት ካልእ መረዳእታ የለን፡፡ እቲ ሓሞኽሽቲ፡ ንዮጋናንዳ መሓዝኡ ዝነበረ ጋዜጠኛን ኣሕታምን ከምዝሃቦ እዩ ዝእመን፡፡ ኣብ ሰሜን ህንዲ ዝተወለደ ዮጋናንዳ ናብ ኣመሪካ ምስ መጸ እዩ ነቲ ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ መዘከርታ ጋንዲ መስሪትዎ፡፡ ኣብ 1935 ንጋንዲ ረኺብዎ ከምዝነበረ ዝሕብር ታሪኽ ህይወት ዮጋናንዳ፡ ኣብቲ እዋን ስፖርት ዮጋ ሓቢሮም ሰሪሖም ከምዝበሩን ንጋንዲ ብዝነበሮ ኣድናቖት መዘከሪ ክሃንጸሉ ቃል ኣትዩ ምንባሩን ይገልጽ፡፡ ብኸመይ ነቲ ሓሞኽሽቲ ክረኽቦ ከምዝኸኣለ ግን ኣብቲ ህይወት ታሪኽ ኣይተገለጸን፡፡ ካብቲ ካብ መሓዝኡ ዝተጽሓፈ ደብዳበ ግና ‘‘ ናይ ጋንዲ ሓሞኽሽቲ ዝምልከት፡ ካብተን ብመከራ ዝለኣኽኩልካ ወጻኢ፡ ኩሉ ኣብተን ኣገደስቲ ሩባታትን ቃላያትን ህንዲ ተደርብዩ እዩ፤ ካብ ሃገር ወጻኢ እውን ዝተውሃበ የለን’’ ዝብል ተጠቒሱ እዩ፡፡ ንሞት ጋንድን ድሕሪኡ ዝነበረ ኩነታትን ኣመልኪቱ ‘ለት ኣስ ኪል ጋንዲ’ ዝብል መጽሓፍ ዝጸሓፈ ቱሻር ጋንዲ ግና ‘‘ እዚ ሓቂ ክኸውን ኣይኽእልን ’’ ይብል፡፡ ‘‘ገሊኡ ናይ ባፑ ሓሞኽሽቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክጥሕል ተገይሩ እዩ፡፡ ብሕጋዊ መንገዲ ድዩ ተላኢኹ ወይ ሰባት ተማሊኦምዎ፡ እንፈልጦ ነገር የለን’’ ክብል ወሲኹ፡፡ ‘‘እቲ ሓሞኽሽቲ መን ኣኪቡ ናብ ፓራማሃንሳ ዮጋናንዳ ከምዝለኣኾ ኣይፈልጥን፤ (ነቲ ኣሞኽሽቲ ናይ ምክፍፋል) ሓላፍነት ዝነበሮም ኣባላት ካቢነን ፍሉጣት ሰዓብቲ ጋንዲን እዮም ነይሮም፡፡’’ ድሕሪ ስነ ስርዓት ቀብሪ ጋንዲ መብዛሕትኡ ሓሞኽሽቲ ኣብ ወሰን ቅዱስ ሩባ ጋንጀስ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣላሃባድ ክጠልቕ ተገይሩ፡፡ ብዙሓት ሰዓብቲ እምነት ሂንዱ ሓሞኽሽቲ ስድራቤቶም ናብቶም ንነብሲ ድሕነት ይህቡ ኢሎም ዝኣምኑሎም ሩባታት እዮም ዝንስንስዎ፡፡ ጥቡቕ ኣማኒ ሂንዱ ዝነበረ ጋንዲ እውን ሓሞኽሽቱ በዚ መንገዲ ክብተን ተናዚዙ ነይሩ፡፡ ኮይኑ ግና ኩሉ ኣይጠለቐን፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዙሕ ሓሞኽሽቲ ጋንዲ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ተራእዩ እዩ፡፡ ኣበ 2019 ገለ ሓሞኽሽቱ ኣብ ማእከላይ ህንዲ ካብ ዝርከብ ቤተ መዘክር ተሰሪቑ፡፡ ቅድሚ ከባቢ ዓሰርተ ዓመት ድማ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተረኺቡ ነይሩ፡፡ ‘‘ ሓትነታተይን ደቀንን ኣብ ደርባን ኣጥሊቖምዎ’’ ይብል ቱሻር ጋንዲ፡፡ ኣብ 2008 ዝተረኸበ ካልእ ሓሞኽሽቲ እውን ቤተሰቡ ኣብ ከተማ ሙምባይ ናብ ሩባ ከምዝደርበይዎ ገሊጹ፡፡ እቲ ብዕሊ ዝፍለጥ ዛጊድ ናብ ሩባ ዘይተደርበየ ሓሞኽሽቲ ጋንዲ፡ ኣብ ከተማ ፑን ኣብ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ኣጋ ካሃን ዝተቐመጠ እዩ፡፡ እቲ ተረፍ ኣብ ጎኒ መቓብር ዝተቓጸለ ሬሳ በዓቲ ቤቱ ካስቱርባ ኣብ ውሽጢ እምነ በረድ ተቐሚጡ ይርከብ፡፡ ቱሻር ነቶም ሓሞኽሽቲ ጋንዲ ከምዘለዎም ዝገልጹ ዘለዉ ፈለስቲ ቃላይ ሽሪን እውን ‘‘ እቲ ሓሞኽሽቲ ብስርዓት ክውገድ እየ ዝሓቶም ’’ ይብል፡፡","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60222117"} {"headline":"ኣውስትራልያ፡ ሰልፈኛታት ህንጻ ቤት ምኽሪ ነበር እታ ሃገር ኣቃጺሎም","content":"ንሉኣላውነት ደቀባት ኣወስትራልያ ዝድግፉ ተቓወምቲ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ካንቤራ ንዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ዝነበረ ህንጻ ኣቃጺሎም፡፡ በቲ ባርዕ ጉድኣት ዝበጸሖ ሰብ እኳ እንተዘይሃለወ ናይ ቅድሚት በሪታት እቲ ህንጻ ግን ዓንዮም፡፡ እቲ ባርዕ ሓዊ ድሕሪ እቲ ንኽልተ ሰሙናት ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ ከምዝተፈጸመ ፖሊስ ገሊጹ፡፡ ዋላኳ ኣብ እዋን ተቓውሞ ሓዊ ምቅጻል ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ እናተለመደ ዝመጸ እንተኾነ፡ ክንድዚ ጎነጽ ዝተመለኦ ሰልፊ ግን ኣብታ ሃገር ዝተለመደ ኣይኮነን፡፡ ብሓሙስ ኣብቲ ትውፊታዊ ህንጻ ባርዕ ምስተልዓለ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ብቕልጡፍ ክወጹ ተገይሩ፡፡ እቶም ሰልፈኛታት ኣብ በሪ እቲ ህንጻ ኮፍ ኢሎም ሰላማዊ ተቓውሞ ከካይዱ ቐንዮም ነይሮም፡፡ ነቲ ህንጻ ዝግለገል ዘሎ ‘ሙዝየም ኦፍ ኣወስትራልያን ዲሞክራሲ’ ዝተባህለ ትካል ዛጊድ ብዛዕባ እቲ ብሓሙስ ዝተኻየደ ሰልፊ ዝበሎ የለን፡፡ ቅድሚ መበል 50 ዓመት ምጅማር እቲ ፖለቲካዊ መሰላት ዋንነት መሬት ኣወስትራልያውያን ደቀባት ንምርግጋጽ ተቓውሞን ዘተን ዘካይዱሉ ኣብ ደገኣፍ ህንጻ ቤት ምኽሪ ዝርከብ ሰውሒ (ኣቦርጅናል ተንት ኤምባሲ)፡ ጎስጓሳት ክካየዱ ቀንዮም፡፡ ፓርላማ ኣወስትራልያ ካብ 1988 ኣኣ ጀሚሩ ናብ ካልእ ህንጻ ዝተዛወረ ኮይኑ፡ እቲ ነባር ህንጻ ከም ሃገራዊ ቅርሲ እታ ሃር ኮይኑ እዩ ዘገልግል ፡፡ ሰበስልጣን መንግስቲ እቲ ብሓሙስ ዝተፈጸመ ዓመጽ፡ ‘‘ኣብ ልዕሊ ዲሞክራሲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ’’ ክብሎ ኮኒኖምዎ፡፡ ፖሊስ እውን እቲ ሓደጋ የጻርዮ ከምዘሎ ገሊጹ፡፡","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59825830"} {"headline":"ሱዳናዊያን ዋጋ ባኒ ብምንሃሩ ሰልፊ ተቓውሞ ኣካይዶም","content":"ሱዳናዊያን ዋጋ ባኒ ብምንሃሩ፡ ድምጺ ተቓውሞ ከስምዑ ናብ ኣደባይ ወጺኦም። ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ፡ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ዘንብዕ ጋዝ ተጠቒሞም ተባሂሎም። ተቓወምቲ፡ ብፍላይ ካብ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ፡ እናነሃረ ንዝመጽአ ዋጋ ባንን ነዳድን፡ መንግስቲ ፍታሕ ክህብ እዮም ዝሓቱ ዘለዉ። እቶም ሱዳናዊያን ካብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ጀሚሩ ክሳብ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እትርከብ፡ ዳማዚን፡ እዮም ንተቓውሞ ሰልፊ ናብ ኣደባባይ ወጺኦም። ኣብ ውሽጢ ዳማዚን ዝነበረ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ንምብታን ፖሊስ ጥይት ተኲሱልና ክብሉ፡ እቶም ሰልፈኛታት ይኸሱ። ኣብ ሱዳን፡ ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚሩ፡ ዋጋ ባኒ 40 ሚኢታዊት ወሰኽ ኣርእዩ። ዋጋ ነዳዲ’ውን ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናነሃረ እዩ መጺኡ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝብሎ፡ ሓደ ሲሶ ህዝቢ ሲዳን ተጸባዪ ረድኤት ኮይኑ እዩ ዘሎ። ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት እናኸፍአ ዝመጽአ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዕልዋ መንግስቲ ምክያዱ ስዒቡ፡ ብዙሓት ትካላት ረድኤት ነታ ሃገር ለቒቖም ብምውጸኦም እዩ። ሱዳናዊያን ናይ ናብራ ምኽባር ምኽንያት ገይሮም ንተቓውሞ ሰልፊ ክወጽኡ ንፈለማ እዋን ኣይኮነን። ሕዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ፡ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ኦማር አል-ባሽር፡ ካብ ስልጣን ዝተኣለየ፡ ናህሪ ዋጋ ብምቅዋም ብዝተጀመረ ሰልፊ ተቓውሞ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። እታ ሃገር ድሕሪ ውድቀት አል-በሽር እውን እንተኾነ፡ ዛጊድ ሰለም ኣይረኸበትን። በወተሃደራውን ሲቪላውን ጣምራ ክትመሓደር ዝጸንሓት ሱዳን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ካልእ ዕልዋ መንግስቲ ምትእጋዳ ዝዝከር እዩ። ነቲ ወተሃደራዊ ክንፊ ዝመርሕ ዝነበረ፡ ጀነራል ዓብድል ፋታሕ አል-ቡርሃን፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ካብ ስልጣን ኣልዒሉ፡ ሕዚ ስልጣን ንበይኑ ብሒትዎ ይርከብ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60750451"} {"headline":"ኢራን፡ ምስ ሰልፊ ተቓውሞ ብዝተሓሓዝ ካልኣይ መንእሰይ ብማሕነቕቲ ቀጺዓ","content":"ኢራን ምስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣንጻር መንግስቲ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ ብዝተኣሳሰር ንኻልኣይ መንእሰይ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብማሕነቕቲ ከምዝቐጽዐት ኣፍሊጣ። ጉዳያት ፍትሒ እታ ሃገር ከምዝገለጾ፡ ወዲ 23 ዓመት ማጂድራዛ ራህናቫርድ፡ ሰኑይ ንግሆ ኣብ ከተማ ማሸሃድ እዩ ብማሕነቕቲ ተቐቲሉ። እቲ መንእሰይ ንኽልተ ኣባላት ባሲጅ ረዚስታንስ ፎርስ ዝተባህለ ጕጅለ ጸጥታ ብኻራ ወጊኡ ከምዝቐተለ ብምርግጋጹ፡ ቤት ፍርዲ ነቲ ውሳነ ሂቡ። ራህናቫርድ፡ ምስተኣሰረ ድሕሪ 23 መዓልቲ እዩ ተሰቒሉ። ተጣበቕቲ መሰላት ግን፡ ተቓወምቲ “ድሕሪ ሓቅነት ዘይብሎም መጋባእያታት ንሞት ይፍረዱ ከምዘለዉ” ከጠንቅቝ ጸኒሖም እዮም። ኣደኡ ክሳብ እቲ ፍርዲ ዝፍጸም ኣይተነገራን ነይሩ። ስድራቤቱ ምስ ሞተ ናይቲ ዝቕረበሉ ቦታ ሽምን ቍጽሪ ሬሳኡ ዝዓርፈሉ ቦታን ተነጊርዎም ምስከዱ ድማ፡ ሓይልታት ጸጥታ እናቐበርዎ ረኺቦምዎም። ጕጅለ ተቓውሞ ኢራን ኣብ ትዊተር ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ፡ ሰብመዚ ብሰዓት 7 ፡ 00 እቲ ከባቢ ደዊሎም “ወድኹም ቀቲልና ኣብ ኣብ መቓብር በሀሽት-ኢ ረዛ ቀቢርናዮ ኣለና” ኢሎምዎም ኢሉ። ሚዛን ኒውስ ኤጀንሲ ዝተባህለ ሚድያ ጉዳይ ፍትሒ እታ ሃገር፡ እቲ መንእሰይ ነበርቲ ማሽሃዲ ኣብ ዝተረኸቡሉ ከምዝተሰቐለ ብምግላጽ፡ ከይዲ እቲ መቕጻዕቲ ዘርእዩ ፎቶታት ኣካፊሉ። እቶም ስእሊታት ሓደ ኣብ ቅድሚ ተዓዘብቲ ዝተሰቐለ ሰብኣይ ዘርእዩ ኰይኖም፡ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ከምዝነበሩን በዓል መን ከምዝዀኑን ግን ግልጺ ኣይኰነን። ራህናቫርድ፡ ቤት ፍርዲ ዝደለዮ ጠበቓ ከይቈጽር ዝኸልከሎ ኰይኑ፡ እቲ ዝቐረበሉ ጠበቓ እውን መከላኸሊ ከምዘየቕረበ ተገሊጹ። እቲ መንእሰይ ብ 17 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ንክልተ ወለንተኛታት ኣባላት ጕጅለ ጸጥታ ባስጂ ብኻራ ወጊኡ ቀቲሉ ዝብል ክሲ ከምዝቐረቦ ወኪል ዜና ሚዛን ሓቢሩ ነይሩ። እቲ ጕጅለ ጸጥታ ሰብመዚ ኢራን ተቓውሞታት ንምዕፋን ዝዋፍርዎ ሓይሊ እዩ። ዳይረክተር ኣብ ኖርወይ ዝመደበሩ ሰብኣዊ መሰላት ኢራን ማሕሙድ ኣሚሪ-ሞጋዳም፡ እቲ ፍርዲ “ድሕሪ ዘይፍትሓዊ ከይድን ናይ ይምሰል መጋባእያን፡ ብሓይሊ ክኣምኑ ብምግባር” ይፍጸም ከምዘሎ ኣብ ትዊተር ገሊጹ። “ተቓወምቲ ብኣልማማ ናይ ምቕታል ሓደጋ ኣሎ” ብምባል እውን ኣብታ እስላማዊት ሃገር ስጕምቲ ክውሰድ ከምዝግባእ ወሲኹ። እቲ ብደቂ ኣንስትዮ ዝምራሕ ተቓዉሞ፡ ሓንቲ ጓል 22 ዓመት መንእሰይ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ምማታ ስዒቡ ዝተወልዐ ኰይኑ ኣብ 31 ግዝኣታት እታ ሃገር ናብ ዝርከባ ኣስታት 160 ከተማታት ተላቢዑ እዩ። ሰብ መዚ ኢራን እቲ ተቓዉሞ ጸላእቲ እታ ሃገር ዝወደብዎ ከምዝዀነ እዮም ዝገልጹ። እንተዀነ እቶም ዝበዝሑ ተቓወምቲ ዘይተዓጠቝ ሰላማውያን ዜጋታት እዮም። ራህናቫርድ ነቲ ገበን ከምዝፈጸመ ምእማኑ ዘርእይ ቨዲዮ ብመንግስታዊ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ተዘርጊሑ ዝነበረ ኮይኑ፡ ተቓወምቲ ግና ሚድያታት እታ ሃገር፡ ብሓይሊ ተገዲዶም ክኣምኑ ናይ ዝተገበሩ እሱራት ኑዛዘ ከምዘሕልፉ ይኸሱ። ሕብረት ኣውሮጳ ብሰኑይ ንሃገራዊ ተሌቪዥን ኢራንን ሓላፊኡን፡ ናይ ሓሶት ኑዛዘ ብምትሕልላፍ ማዕቀብ ኣንቢሩሎም ኣሎ። ብተወሳኺ እቲ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ኣዛዚ ሰራዊት ኢራንን ዞባዊ ኣዘዝቲ ሰውራዊ ሓለዋን ተቓውሞታት ብምዕፋን ማዕቀብ ኣንቢሩ ኣሎ። ኢራን ብወገና ነቲ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ዝተቓወሚ ብዙሓት ፖለቲከኛታት ጀርመንን ብሪጣንያን ማዕቀብ ክትገብር ትልሚ ከምዘለዋ ገሊጻ። እቲ ተቓውሞ ካብ ዝጅምር ፈላማይ መቕጻዕቲ ስቅላት ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ልዕሊ ንኣባል ጸጥታ ብጎዘሞ ኣጥቂዑ ዝተባህለ ወዲ 23 ዓመት ሞህሰን ሸካሪ ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ ነቲ ስጕምቲ ማሕበረሰብ ዓለም ብኸቢድ ተቓዊምዎ እዩ። ብሰንኪ እቲ ተቓዉሞ ዛጊድ ብውሑድ 488 ሰልፈኛታት ከምዝተቐተሉን ልዕሊ 18 ሽሕ ከምዝተኣሰሩን ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ይግልጹ። ብተወሳኺ 62 ኣባላት ጸጥታ ከምዝተቐተሉ እውን ተሓቢሩ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c723yzqrw55o"} {"headline":"ሰበይቱ ኣብ ኢራን ዝተኣሰረቶ ብሪጣንያዊ፡ ን21 መዓልታት ኣድማ ምሕሳም ምግቢ ኣካይዱ","content":"በዓል ቤት ብሪጣንያዊት-ኢራናዊት ናዛኒን ዛጋሪ ራትክሊፍ፡ ድሕሪ 21 መዓልቲ ኣድማ ምሕሳም ምግቢ ደው ኣቢሉ፡፡ ሪቻርድ ራትክሊፍ፡ ሰበይቱ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኢራን ክትፍታሕ መንግስቲ ተወሳኺ ጻዕሪ ክገብር ብምጥላብ ኣብ ኣፍ ደገ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰልፊ ተቓውሞ ክገብር ቀንዩ እዩ፡፡ ንሰበይቱ ነቲ ተቓውሞ ደው ከምዘብሎ ቃል ከምዝኣተወላን፡ ውላዱ‘‘ኣቦን ኣዶን ስለዘድልያ’’ ናብ ሆስፒታል ከይዱ ሙሉእ ምርመራ ጥዕና ከምዝገብርን ገሊጹ፡፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ድማ ነታ ኣብ ኢራን ተኣሲራ ዘላ ዜጋ ንምፍታሕ ጻዕሪ ይገብር ከምዘሎ ኣፍሊጡ፡፡ ብሰለላ ተኸሲሳ ንዝሓለፉ ሓሽተ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰር ዝጸንሐት ዛጋሪ ራትክሊፍ፡ ንካልኣይ ግዘ ኣብ ዝተወሰነላ ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ ዘቕረበቶ ስምዕታ ተቐባልነት ኣይረኸበን፡፡ ንሳ ኣብ 2016 ንጓላ ምስ ስድራቤታ ንምልላይ ናብ ኢራን ምስከደት እያ መንግስቲ ንምዕላው ብምውጣን ተኸሲሳ ተኣሲራ፡፡ ሓሙሽተ ዓመት ተፈሪድዋ ድማ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሓደ ዓመት ኣብ ማእሰርቲ ገዛ ጸኒሓ፡፡ በዓል ገዝኣ ሪቻርድ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን፡ ነቶም ኣብ ጉባኤ ክሊማ ኮፕ26 ዝመጹ ልኡኻት ኢራን ጸቕጢ ብምፍጣር ሰበይቱ ክትፍታሕ እንተሓገዞ ብምትስፋው እዩ ካብ 24 ጥቅምቲ ጀሚሩ ተቓውሞ ጀሚሩ፡፡ ንዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት ድማ ፈሳሲ ጥራሕ እናወሰደን ኣብ ኣፍደገ ዋይትሆል ኣብ ንኡሽቶ ኬንዳ እናደቀሰን ቀንዩ፡፡ ኮይኑ ግና ኣብ ኣእጋሩ ቃንዛ ክስመዖ ስለዝጀመረ ምስ ዶክተር ተዘራሪቡ ነቲ ኣድማ ምሕሳም ምግቢ ደው ከብሎ ከምዝወሰነ ገሊጹ ኣሎ፡፡ ንበዓልቲ ቤቱ እውን ኣብቲ ደረጃ እንተበጺሑ ደው ከምዘብሎ ገሊጹላ ምንባሩ ሓቢሩ፡፡ ‘‘እዚ ኩሉ በይነይ ኣይምሓለፍኩዎን’’ ክብል ድማ ንዝሓገዝዎ ሰባት ኩሎም ኣመስጊኑ፡፡ ኣብ እዋን እቲ ኣድማ መጺኣ ዝበጸሐቶ ተወካሊት ፓርላማ እቲ ዝነብረሉ ከባቢ ማእሰርቲ ሰበይቱ ኣብ ቤት ምኽሪ ከምዝተዘተየሉን ድጋፍ ከምዝረኸበን ተዛሪባ፡፡ ሪቻርድ ራትክሊፍ ምስ ሚኒስተር ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ጄምስ ክለቨርሊ ብሓሙስ ዝተዘራረበ ኮይኑ፡ ንቦሪስ ጆንሰን ግና ከምዘይበጸሖም ንጉዳይ ሰበይቱ እኹል ኣቓልቦ ከምዘይሃቦን ብምግላጽ ነቒፉዎ፡፡","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59280949"} {"headline":"ቤተ መንግስቲ ፕረዚደንት ስሪላንካ ብተቛወምቲ ኣዕለቕሊቑ","content":"ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተቛወምቲ ንኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ፕረዚደንት ስሪላንካ ጎታባያ ራጃፓካሳ ኣዕለቕሊቖሞ። ካብ ኩሉ ክፋል ስሪላንካ ዝተኣኻኸቡ ሰልፈኛታት ኣብ ኮሎሞቦ ቀሪቦም መራሒኦም ፕረዚደንት ጎታባያ ስልጣኑ ንኽገድፍ ጠሊቦም። እቶም ተቛወምቲ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣብታ ሃገር ንዘጋጠመ ቁጠባዊ ቅልውላው ብዝግባእ ከመሓድሮ ኣይከኣለን ብዝብል ቁጥዐ ንኣዋርሕ ዝኣክል ተቛውሞታት ከስምዑ ጸኒሖም’ዮም። እቲ ፕረዚደንት ግን ናብ ካልእ ውሑስ ቦታ ከምዝተወሰደ ጸብጻባት ይሕብሩ። ስሪላንካ ብኸቢድ ዝቕባበ ዋጋ ሸቐጣት ኣመና ስለዝተሃሰየት እታ ሃገር ከም ነዳዲ፣ መግብን መድሓኒትን ዝኣመሰሉ ሃለቕቲ ሸቐጣት ካብ ወጻኢ ክተእቱ ተገዲዳ እያ። እቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ንኽበጽሑ ገሊኦም ሰበ ስልጣናት እንከይተረፈ ንሰራሕተኛታት መጓዓዝያ ባቡር ኣዚዞም ከምዝመጽኡ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ጸብጺቡ። ንሳቶም ናብቲ ናይ ኮሎምቦ ቀጽሪ መንግስታዊ ምምሕዳር ብምእታው “ጎታ ናብ ገዛኻ ኪድ” ዝብል ጭርሖ እንዳጨርሑ ሓጹራት ፖሊስ ጥሒሶም ናብ ቤተ መንግስቲ እቲ ፕረዚደንት ኣትዮም። ፖሊስ እቶም ተቛወምቲ ናብቲ ቤተ መንግስቲ ንኸይኣትዉ ጠያይቲ ናብ ላዕሊ ተኵሶም መንብዒ ጋዝ’ኳ እንተተኮሱ ገለ ካብቶም ተቛወምቲ ናብ ቀጽሪ ቤተ መንግስቲ ካብ ምእታው ዓዲ ግን ኣይወዓሉን። “እቲ ፕረዚደንት ናብ ካልእ ውሑስ ቦታ ተዛዊሩ’ዩ” ክብል ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ስሪላንካ ንኤ ኤፍፒ ተዛሪቡ። ንሱ ኣስዒቡ “ጎታ ሕይ’ውን ፕረዚደንት’ዩ፣ ብናይ ሓይልታት ምክልኻል ኣሃዱታት ይሕሎ’ዩ ዘሎ” ኢሉ። ብናይ ፌስቡክ ቀጥታ ፈነወ ኣብ ዝተርኣየ ቪድዮ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ተቛወምቲ ናብ ክፍልታትን ጋብላን እቲ ቤተ መንግስቲ እንዳአተዉ ተራእዮም። ገሊኦም ድማ ኣብ መሕመበሲ ናይቲ ፕረዚደንት ክሕምብሱ ተራእዮም። ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዝነበሩ ኣካል ናይቲ ተቛውሞ ዝኾኑ ሰባት’ውን ናብ ቤት ጽሕፈት እቲ ፕረዚደንት ጥሒሶም ምእታዎም ተፈሊጡ። ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ዝርከብዎም ብውሑዱ 33 ሰባት ጉድኣት ከምዘበጽሖምን ኣብ ብሄራዊ ሆስፒታል እታ ሃገር ሕክምናዊ ናብዮት ይግበረሎም ከምዘሎን ወሃቢ ቃል እቲ ሆስፒታል ንቢቢሲ ገሊጹ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd10ep578dyo"} {"headline":"\"ካብ ስልጣኑ ክሳዕ ዝወርድ ካብ ገዝኡ ኣይንንቀሳቐስን\" ተቛወምቲ","content":"ኣብ ስሪላንካ ብዝተፈጠረ ቁጠባዊ ቅልውላው ስዒቡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስሪላንካውያን ኣብ ወግዓውያን መንበሪ ኣባይቲ መራሕቶም ተኣኪቦም ቀንዮም። ንሳቶም እቶም መራሕቲ ካብ ስልጣኖም ከምዝወረዱ ብዕሊ ክሳዕ ዘፍልጡ ካብ ገዛውቶም ኣይንንቀሳቐስን ክብሉ ተሰሚዖም።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c19ex8kg9gdo"} {"headline":"ሃገራዊ ሓይሊ ንምፍጣር ዝተኻየደ ዋዕላ ኤርትራውያን","content":"ክፍሊ ጽምዶ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ንዅሎም ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝነበሩ ኤርትራውያን ፖለቲካውያን ሓይልታት፡ ስቪካዊ ማሕበራትን ትካላት ሜድያን ብምዕዳም ሓደ ሃገራዊ ሓይሊ ንምፍጣር ዝዓለመ ናይ ክልተ መዓልታት ዋዕላ ኣካይዱ። ኣብቲ ብማንዛ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ልዕሊ 50 ውድባት፡ ምንቅስቓሳት፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን ልዕሊ 25 ትካላት ሜድያን ዘሳተፈ ዋዕላ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ሓላፍነት መንግስቲ ኤርትራ ዝነበሩ ከም ምኒስተር ምክልኻል ኤርትራ ነበር ኣቶ መስፍን ሓጎስ፡ ኣመሓዳሪ ከተማ ደቀምሓረ ነበር ኣቶ መሓመድ ብርሃን ብላታ፡ ኣቦ መንበር ምንቅስቓስ ዓደቦ ኣቶ ሕሩይ ተድላ ባይሩ፡ ኣብ ፈለማ 90ታት ብደረጃ ምኒስተር ዘገልገለ ኣሕመድ ኣልቀይስን ካልኦት ኣዝዩ ነዊሕ ተመኵሮ ቃልሲ ዘለዎም ሕጂ ኣብ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ውዳበታት ዝነጥፉ ገዳይም ተቓለስቲ ተሳቲፎም ነይሮም። ምክትል ኣቦ መንበር ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኣቶ ገዛኢ ሓጐስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኣብ ዝዀነ ይዅን እዋን ሃገርን ህዝብን ቀዳምነት ጌርና ክንሓስብ፡ ብብቕዓትን ራእይን ዝምራሕ ሃገራዊ ሓይሊ ፈጢርና ስቓይ ህዝብና እነሕጽረሉ መንገዲ ክንፈጥር ይግባእ” ክብል ተጋባእቲ ምእንቲ ሓባራዊ ራእይን ዕላማን ኣብ ብዙሕ ነገራት ሕድገት ብምግባር ዓቕምታቶም ኣወሃሂዶም ብሓባር ክሰርሑ ጸዊዑ። ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ንሓድሕዶም ስኒት ዘይብሎም፡ ንዝገበርዎ ሓድነት ከፍርሱ ዝጸንሑን ተባሂሎም'ዮም ዝንቀፉ። ብሰንኪ'ዚ፡ ኣብቲ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ዝገብርዎ ቃልሲ፡ ኣድማዕቲ ከምዘይኰኑ ይንገረሎም። መንግስቲ ኤርትራ ዝዀኑ ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ኤርትራ ክንቀሳቐሱ ኣየፍቅድን'ዩ። ኣካያዲ ክፍሊ ጽምዶ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ተኣምራት ስዩም ብወገኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እቲ ንሱ ዝነጥፈሉ ክፍሊ “ሃገራዊ ሓይሊ ደምበ ፍትሒ” ንምቛም ምስ ዝተፈላለዩ ፖለቲካውን ስቪካውን ውዳበታት፡ ብሓደ ንምስራሕን ንምቅርራብን ዘኽእል መገድን ምርድዳእን ክድህስስ ከምዝጸንሐ ገሊጹ። ኤርትራዊ ደምበ ፍትሒ፡ ኣብ መሰረታዊ ዕላማታት ፍልልያቱ ኣወንዚፉ ቀዳምነቱ ኣለልዩ ብሓባር ክንዲ ዝሰርሕ፡ ብሕሉፍ ታሪኽ ንሓድሕዱ ከምዝነጻጸግ ብፍላይ ድሕሪ ምጅማር ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልተ ጫፋት ከምእተገዝዐ ኣረዲኡ። “ብጉዳይ ውክልናን ዝተፈላለየ ምኽንያት ንሓድሕዱ ዘይቀራረብ ደምበ ተቓውሞ ናብ ሓደ ከተምጽኦ ቀሊል ኣይኮነን፡” ዝበለ ኣቶ ተኣምራት፡ ስቓይን ወጽዓን ህዝቢ ንምሕጻር ኣብ ሕሉፍ ጌጋታትን ብድሆታትን ምጽብጻብ ዘይኰነ፡ ንቕድሚት ብምጥማት ብዘይካ ሓቢርካ ምስራሕ  ምርጫ ከምዘየልቦ ሓቢሩ። እቲ ኣብ ስራሕ ዘተኮረ ክልተ መድረኻት ዘለዎ ናይ ጽምዶ መስርሕ፡ እቲ ቐዳማይ መደቡ፡ ኣብ ትሕቲ፡ ሓደ ብኣቦ መንበራት ኵሎም ተላፈንቲ ዝቐውም፡ ሃገራዊ ሽማግለ ኰይነን ዝሰርሓ ኣድለይቲ ትካላት ከቕውም እዩ ዕላማኡ። እተን ትካላት ንስራሕ ዝዓለመ መደባት ኣውጺአን ኣብ ስራሕ ንኽዋፈራ ከኣ ንዐአን ዘመሓድሩ፡ ምሁራትን ሰብ ሞያን ዝሓዘ፡ ሓደ ናይ ምትሕብባር ሃገራዊ ኮሚተ ከምዝህሉ፡ በቲ ግብራዊ ስራሕ ዝመጽእ ጥምረትን ምትእምማንን ምስ ተፈጥረ ከኣ ናብ ፍጹም ውህደት ዝመጽኣሉ መንገዲ  ክፍጥር ምዃኑ እቲ ሓሳብ ኣነጺሩ። ኣብቲ ካልኣይ መድረኽ ከኣ ብዓለም ዝተወደበ፡ ብሓደ መሪሕነት ወይ ባይቶ ዝምራሕ ናይ ገዛእ ርእሱ ቻርተር፡ መርሓ ጐደናን ውሽጣዊ ሕግታት ዝሰኣለ፡ ንዅሉ ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ድምጺ ዝኸውን ናብ ፍጹም ውህደት ዝበቐዐ ሃገራዊ ሓይልን ትካልን ምፍጣር ምዃኑ ኣቶ ተኣምራት ኣረዲኡ። ኣብ መንጐ እቲ ክልቲኡ መድረኻት ከኣ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ጥራይ ዘይኮነ፡ ካልኦት ነዚ ተበግሶ ዝወሰዱን ብሕጂ ዝወስዱን ናብ ፍጹም ውህደት ቅድሚ ምብጽሖም ብኻልኦት ኤርትራውያን ዝቐርቡ ዝተፈላላዩ እማመታት ክካታዓሎምን ሓባራዊ ዘተ ከካይደሎምን ከምዝዀነ ኣብቲ ማንዛዊ ምምኽኻር ተገሊጹ። እቲ ኣብ ስራሕ ዘተኮረ ልፍንቲ፡ ነቲ መስርሕን ውጽኢቱን ክግምግምን ክቈጻጸርን ከምኡ'ውን ንሓደ ሓደ ዘይተፈትሑ ፈተንቲ ፖለቲካዊ ጉዳያት፡ ንኣብነት፣ ብዕቤትን ምንኣስን ብምብዛሕን ምውሓድን ኣባላት ፖለቲካውን ስቪካውን ውዳበታትን ዝለዓል ከም “ጉዳይ ውክልና ኣብቲ ዝቐውም ልፍንቲ” ዝኣመሰሉ ዛዕባታት፡ ክመያየጥን ምስ ካልኦት ክመኻኸርን ምዃኑ እቲ ዝቐረበ ሓሳብ የነጽር። ኣብ መወዳእታ እቲ ንኽልተ መዓልታት ዝተኻየደ ዋዕላ ተጋባእቲ ኣብቲ ዝቐረበ ወረቓቕቲ ዝተፈላለየ ሕቶታትን ርእይቶን ዘለዎ ሃናጺ ሓሳባትን ካብ ሕሉፍ ተመኵሮ ዝነቅል ስክፍታን ሻቕሎት ብምቕራብ ብሰፊሑ ዘትዮም። እቲ ተበግሶ ዝነኣድ ንግብራውነቱ ኵሉ ግዱስ ኤርትራዊ ክጽዕረሉን ከሀብትሞን ብምልባው ከኣ ኣብ መንእሰያት ፍሉይ ኣቓልቦ ክግበር ተማሕጺኖም። እቶም ዋዕለኛታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ምፍጣር ቀሊል ብድሆ ከምዘይኰነን እቶም ቅድሚ ሽዑ ዝተሓልፉ መሰናኽላት ከይድገሙን ኣስተብህሎ ከምዘድሊ ሓቢሮም።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyr522kvky8o"} {"headline":"ኢራን፡ ብዝተኻየደ ተቓውሞ ብዝሒ ዝሞቱ 76 በጺሑ","content":"ኣብ ኢራን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ዝነበረት ጓል ኣንስተይቲ ድሕሪ ምማታ ብውሕዱ 76 ሰልፈኛታት ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተቐትሉ ደለይቲ ፍትሒ ገሊጾም። ኣብ ኖርወይ ዝመደበሩ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ኢራን፡ ሰበስልጣን ነቶም ሰልፈኛታት ንምዕፋን ዘይተመጣጠነ ሓይልን ተተኮስትን ተጠቒሞም ክብል ከሲሱ። መንግስታዊ ማዕከናት ዜና፡ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ዝርከብዎም 41 ሰባት ከም ዝሞቱ ሓቢረን። ነቲ ጸገም ድማ ነቶም \"ናዕበኛታት\" ይወቕሳ። 20 ጋዜጠኛታት ዝርከብዎም ኣማኢት ሰባት እውን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ። ዳይረክተር ኣይኤችኣር [IHR] ማሕሙድ ኣሚሪ-ሞጋዳም፡ \"ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዝፍጸም ዘሎ ስቅያትን ሕማቕ ኣተሓሕዛን ከቢድ'ዩ። ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ጥይት ምትኳስ ዓለምለኻዊ ገበን እዩ። ዓለም ሕቶ መሰረታዊ መሰላት ህዝቢ ኢራን ክትሕሉ ኣለዋ\" ኢሉ። ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ በቲ ዝተፈፀመ ቅትለት ዓሚቝ ሻቕሎት ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ ሰበስልጣን እታ ሃገር መሰል ሰላማዊ ተቓውሞ ከኽብሩ ኣተሓሳሲቡ። ድሕሪ ቀብሪ ማሕሳ ኣሚኒ፡ ተቓውሞ ኣንጻር መንግስቲ ናብ ልዕሊ 80 ከተማታት ኢራን ተዘርጊሑ። እታ ጓል 22 ዓመት ጓለንስተይቲ፡ ደቀንስትዮ ኣብ ርእሰ ከተማ ቴህራን፡ ጸጕረን ብሕጃብ ክሽፍና ዝእዝዝ ጽኑዕ ሕጊ ብምጥሓስ፡ ብፖሊስ ስነ-ምግባር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ። ንሳ፡ ናብ መዳጐኒ ማእከል ድሕሪ ምውሳዳ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ እያ ኣብ ሆስፒታል ሞይታ። ፖሊስ፡ ኣሚኒ ብሃንደበታዊ ወቕዒ ልቢ ከምዝሞተት'ኳ እንተገለጸ፡ ስድራኣ ግን ሓይልታት ጸጥታ 'ቀጥቂጦማ' ብምባል፡ ነቲ ጸብጻብ ፖሊስ ነጺጐምዎ። ብቕልጡፍ ኣንጻር ፖሊስን ሕጊ ሕጃብን ተቓውሞ ዘበገሰ ሞት እታ መንእሰይ፡ ድሕሪ ዓመታት እቲ ዝኸበደ ብድሆ ኢራን ኰይኑ ኣሎ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ቪድዮታት፡ ደቀንስትዮ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ሕጃበን ከቃጽላን ጸጕረን ክቘርጻን ይረአያ። \"ህይወት፡ ናጽነት ንደቀንስትዮ\"፡ \"ሞት ንውልቀ መላኺ\" ዝብል ጭርሖታት ሒዘን ድማ ድምጸን የስመዓ ኣለዋ። ትማሊ፡ ኣብ ቴህራን ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ብዙሓት ከተማታት ተቓውሞታት ከምዝተኻየዱ ተገሊጹ። ኣብ ልዕሊ 20 ዩኒቨርስቲታት ዝርከቡ ተመሃሮን መምህራንን ድማ ኣድማ ኣካይዶም። ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኢራን፡ ኣብ 14 ግዝኣታት፡ ህይወት 76 ሰባት ከም ዝተቐትለ ዝገለጸ ኰይኑ፡ ምዕጻው ኢንተርነት ምውጻእ እቲ ጸብጻብ ከምዘደንጎዮ ገሊጹ። ካብ መንጐኦምም፡ ሽዱሽተ ደቀንስትዮን ኣርባዕተ ቈልዑን ይርከብዎም። ካብቶም ዝሞቱ እቶም 35 ኣብ ሰሜን ቴህራን ኣብ ዝርከባ ግዝኣታት ማዛንዳራንን ጊላንን እዮም። ወሲኹ፡ እቶም 24 ብብዝሒ ኩርዳውያን ዝርከብዎም፡ ኣብ ምዕራብ ኣዘርባጃን፡ ኬርማንሻ፡ ኩርዲስታንን ኢላምን ዝተባህሉ ግዝኣታት ከምዝዀኑ ሓቢሩ። ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰልፈኛታት ሓይሊ ይጥቀሙ ከምዘለዉን፡ ናይቶም ዝሞቱ ድማ መርትዖ ከምዘለዎ፡ ኣይኤችኣር ኣፍሊጡ። ሰበስልጣን ኢራን ነዚ ነጺጎሞ'ኳ እንተነበሩ፡ ልዕሊ 1200 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ግን ተኣሚኖም። ፋይዝ ሓሸሚ፡ ጓል ፕረዚደንት ኢራን ነበር ኣክባር ሓሸሚ ራፍሳንጃኒ፡ ብሓይልታት ጸጥታ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወት ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኢራን ሓቢረን። ሓሸሚ ብቕሉዕ ነቐፌታ መንግስቲ ኢራን ብምዃና እያ ትፍለጥ። ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ኮሚቴ ተጣባቒ ጋዜጠኛታት፡ ብውሑዱ 20 ሪፖርተራትን ብሎገራትን ከምኡ እውን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ጠበቓታትን ተጣበቕቲ ሲቪላዊ ማሕበራትን ካብ ማእሰርቲኡ ክፍትሑ ጸዊዑ። \"ሓይልታት ጸጥታ ኢራን፡ ነዚ ወሳኒ ኵነታት ዝሽፍኑ ጋዜጠኛታት ዝገብርዎ ዘለዉ ጭፍጨፋ ኣቋሪጾም፡ ንህዝቢ ሓበሬታ ንምሃብ ኣገዳሲ ዝዀነ ኣገልግሎት ኢንተርነት ድማ ናብ ንቡር ክመልሱ ኣለዎም\" ክብል CPJ ተማሕጺኑ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/clkn8e03emdo"} {"headline":"ምክትል ፕረዚደንት ሱዳን ነበር 'ናዕቢ ኣጓሃሂርካ' ተባሂሉ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ","content":"ኣብ እዋን ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሺር፡ ምክትል ፕረዚደንት ዝነበረ ሓሳቦ መሓምደ ዓብደል ራሓም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ተገሊጹ። ንሱ፡ ብዛዕባ ምውሳኽ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት ኣሳቢቡ ንሰሙናት ዝቐጸለ ናዕቢ ኣጓሃሂርካ ተባሂሉ'ዩ ኣብ ቀይዲ ኣቲዩ። ካልኦት ኣብ እዋን ምምሕዳር ዑመር ኣልበሽር ዝነበሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ተኣሲሮም ከምዘለው'ውን ተፈሊጡ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ሱዳን ብተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞ ከባቢ 300 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተውን፡ ኣብ ዓርባተ ዞባታት እታ ሃገር ድማ እዋን እቶ እቶ ከምዝተኣወጀን ይፍለጥ። ኣብታ ሃገር ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ዋሕዲ ባኒ፡ ነዳዲ ከምኡ'ውን ኣገልግለት ኤለክትሪክ ከምዘሎን፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መሰጋገሪ መንግስቲ ነቲ ወዲቑ ዘሎ ቁጠባ ንምዕራይ ይቓለስ ከምዘሎን ይግለጽ። ሱዳን፡ ካብ መዝገብ ግብረ-ሽበራ ኣመሪካ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ከምዝወጻት ይፍለጥ። እዚ ድማ ነቲ ዘቑቢቡ ዘሎ ቁጠባ እታ ሃገር ህይወት ክዘርኣሉ ከምዝኽእል ተንተንቲ ይሕብሩ። ኣመሪካ፡ ንሱዳን ኣብ መዝገብ ሽበራ ዘእተወታ ብ 1993 ኮይኑ፡ ንመራሒ ኣል-ቃዒዳ ኦሳማ ቢን ላደን ሓዊሱ፡ ግብረ-ሽበራውያን እትድግፍ እያ ብዝብል እዩ። ዑመር ኣልበሺር፡ ኣብ 1989 ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ንሱዳን ማእከል ዓለማዊ ተቓለስቲ ጅሃዳውያን ምንባሩ ይግለጽ። እዞም እስላማዊ ጥሩፋት ጉጅለታት፡ ኣብ 1993 ኣብ ዓለዋዊ ማእከል ንግድ ኣመሪካ ፈላሚ መጥቃዕቲ ምስ ፈጸሙ፡ ኣመሪካ፡ ንሱዳን ኣብ መዝገብ ግበረ-ሽበራ ዝምውላ ሃገራት ኣእትያታ። ኣብዚ እዋን ሱዳን፡ ካብ ዓለም ለኻዊ ገንዘብን ካልኦት ፋይናንሳዊ ትካላትን ለቓሕ ክትወስድን ምስራዝ ዕዳ ክትሓትትን ትኽእል። ንሱዳን ን30 ዓመት ብምልኪ ዝመርሓ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽን፡ ኣብ 2019 ዋጋ ባኒን ነዳዲን ዝመንቀሊኡ ብሓያል ህዝባዊ ተቓውሞ'ዩ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56067021"} {"headline":"ኩባ ንደቀቕትን ማእኸለዎትን ውልቀ ትካላት ንግዲ ፍቓድ ሂባ","content":"ዴሳዊ መንግስቲ ኩባ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞታት ደቀቕትን ማእኸለዎትን ውልቀ ትካላት ንግዲ ሕጋዊ ኮይኖም ንኽሰርሑ ፈቒዱ። በቲ ሓድሽ ተመሓይሹ ዝወጽአ ሕጊ መሰረት ውልቀ ሰባት ክሳብ 100 ዝኣኽሉ ሰራሕተኛታት ዝቖጽር ትካላት ንግዲ ክጣይሹ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ። ኩባ ቁጠብኣ ንምምዕባል ዘኽእሉ ኣገደስቲ ስጉምታት ትወስድ ከምዘላ ፕረዚደንት እታ ሃገር ሚጌል ዲአዝ-ካኔል ተዛሪቡ። ይኹን እምበር መንግስቲ ናብዚ ውሳነ ክበጽሕ ዝኸኣለ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ኣደባባይ ወጺኦም ብዛዕባ ቁጠባ እታ ሃገር ኣመልኪቶም ተቓውሞ ስለዘስምዑ’ዩ ዝብል ርእይቶታት’ሎ። እቶም ኣብ ተቓውሞ ዝተሳተፉ ዜጋታት መንግስቲ ኩባ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝቖጻጸረሉ ዘሎ መገዲ ዝኾነኑ ኮይኖም ፖለቲካዊ ዕርያታት ንኽግበር ሓቲቶም። ኩባ ነቲ ገጢምዋ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ስዒቡ ብዝተልዓለ ህዝባዊ ተቓውሞታት ምኽንያት ብደረጃ ሃገር ብዙሓት ተኣሲሮም። ከም ሳዕቤኑ ድማ ሓደ ሰብ ከምዝሞተ ተሓቢሩ’ሎ። መንግስቲ ኩባ ንደቀቕትን ማእኸለዎትን ውልቀ ትካላት ንግዲ ፍቓድ ክህብ ምውሳኑ ኣብታ ሃገር ዝተገበረ ዓብይ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ከምዝኾነ ይግለጽ። ቁጠብኣ የንቆልቁል ከምዘሎ ዝዝረበላ ኩባ፡ ናብ ኩባ ዝጉዓዙ ሰባት መግቢ፣ መድሓኒትን ካልኦት ናውትን ብዘይ ግብሪ ከእትዉ ፈቒዳ። ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ሕጽረት መድሓኒትን መግብን ንምፉዃስ ተባሂሉ ገለ ኩባንያታት ብዘይ ግብሪ ካብ ወጻኢ ንብረት ከእትዉ ክሳብ ምፍቃድ በጺሓ’ያ። ኣብ ቁጠባ ኩባ ኣውራ እጃም ከምዘለዎ ዝግለጸሉ ዓውዲ ቱሪዝም ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣዕርዩ ከምዝተጎድአ ተገሊጹ’ሎ። ኩባ ሽኮር ናብ ወጻኢ ሰደድ ገይራ እቶት ንምርካብ ሸቶ’ኳ እንተነበራ ይኹን እምበር ኣይ ከምቲ ትጽቢት ዝተገበረሉ። እዝን ወድዝን ተደሚሩ ናይታ ሃገር ዓቕሚ ሸርፊ ወጻኢ ስለዝተጸንቀቐ ኩባ ካብ ወጻኢ እተእትዎም ሸቐጣት ንምዕዳግ ከቢድዋ ከምዘሎ ተሓቢሩ። መንግስቲ ኩባ ነቲ ቅድሚ ወርሒ ዘጋጠማ ህዝባዊ ተቓውሞታት ኮነ ካልኦት ጸገማት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊኣ ብዘንበረቶ ቁጠባዊ እገዳታት ዘስዓቦ ከምዝኾነ’ያ እትኸስስ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58135970"} {"headline":"ፆመ-ትግራይ'፡ ኣብ ከተማታት ንግዳውን ማሕበራውን ምንቅስቓሳት ከምዝደስከለ ተገሊጹ","content":"ሎሚ ንጎሆ ንርእሰ ከተማ መቐለ ሓዊሱ፡ ኣብ መብዛሕተአን ከተማታት ትግራይ ጸጥ ኢለን ኣብ ጽምዋ ኣትየን ከምዝወዓላን፡ ዝኾነ ንግዳውን ማሕበራውን ምንቅስቓሳት ተዓጽዮም ከምዘለውን ምንጭታት ቢቢሲ ካብቲ ክልል ሓቢሮም። ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልቲ ብኣቦታት: መእመናንን መነኮሳትን ካብ ገዳማት ትግራይ ዝተኣወጀ \"ጾመ ትግራይ\" መሰረት፡ ሰባት ካብ ገዝኦም ከይወጽኡ ካብ ዝኾነ ይኹን ማሕበራዊ ምንቅስቓስ ተቖጢቦም ይርከቡ። ሓደ ነባሪ መቐለ ዝኾነ መንእሰይ፡ ኩሎም ናይ ውልቀ ድንኳናትን መደበራት ንግዲን ከምኡ'ውን እንዳ ቤት ብልዕን እንዳ መሰተን ካፌታት ኮነ ካልኦት ንግዳዊ ትካላት ብምዕጻዎም ጽምዋ ከምዝሰፈነ ትዕዝብቱ ገሊጹልና። ንሱ ከምዝበሎ፡ ኣብ ውሽጢ ከተማ ዝግበር ኮነ: ካብ ከተማ ናብ ከተማ ዝኾነ ህዝባዊ ናይ ባጃጅን መኪናን መጓዓዝያታት ተቛሪጾም ኣለዉ። ኣብተን ከተማታት ዓሲሉ ዘሎ ጸጥ ዝበለ ኩነታት ዘርእዩ ስእልታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ይጋዋሑ ኣለዉ። እቲ ኣዋጅ ናይ ስልኪ ምጥፋእን ዘይምዝራብን'ውን ዝሓውሰ ኮይኑ፡ ዝበዝሑ ተገልገልቲ ስልኮም ዓጽዮም ካብ ዝኾነ ማሕበራዊ ምንቅስቓሳት ተዓቂቦም ከምዘለዉ ምንጭታት ቢቢሲ ወሲኾም ሓቢሮም። \"ኣጋጣሚ ንዝኾነ ጉዳይ እየ ከፊተዮ'ምበር፡ ስልከይ'ውን ኣጥፊአዮ እየ ነይረ። ኩሉ ኣብ ገዝኡ እዩ ተዓጽዩ ዘሎ፤ ኣብ ጎደናታት ዝኾነ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣይትርእን\" ኢሉ። ሓደ ነባሪ ኬንያ ዝኾነ ተወላዲ፡ ካልእ ነባሪ መቐለ ዝኾነ ኣባል ስድርኡ ትማሊ ቴሌፎን ደዊሉ፡ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ናብ ጾምን ጸሎትን ከምዝኣቱን ስልኩ ድማ ዕጽው ከምዝኸውን ገሊጹ፡ 'እንታይ ኮይኑ ኢልኩም ከይትሻቐሉ' ኢሉ ከምዝሓበሮ፡ ንቢቢሲ ገሊጹ። ከም ባንኪታት ዝኣመሰሉ መንግስታዊ ትካላት ግን ኣብ ከተማ መቐለ ተኸፊቶም ዝተርአዩ ኾይኖም ፡ ኣብ ከም ከተማታት ዓድግራት፣ ኣክሱም፣ ሽረ፣ ውቕሮ፣ ዝኣመሰሉ ካልኦት ዓበይቲ ከተማታት ድማ፡ ብተመሳሳሊ ኩነታት ጽምዋ ከምዘሎ ምንጭታት ንቢቢሲ ገሊጾም። ኣብ ከተማ ኣኽሱም፡ ብሰንኪ'ቲ ዝተወስደ ትካላት ናይ ምዕጻው \"ኣድማ\"፡ ገለ ሰብመዚ ትካላት ንግዲ ክዕሽጉ ጀሚሮም ከምዘለዉ ተፈሊጡ። ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ትግራይ፡ ኣይተ ብርሃነ ገብረጻዲቕ፡ \"ኣብቶም ኣድማ ዝገበሩ ናይ ምዕሻግ ስራሕቲ ተሰሪሑ'ሎ . . . ገዛን ትራንስፖርትን [መጓዓዝያ] ከይንቀሳቐስ ምባል ስለዘይክእሉ\" ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰዱ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። \"ብዙሕ ተፈናቓላይ ዘለዎ ከተማ'ዩ፡ ብዙሕ ተጠቃሚ፡ ብዙሕ ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ ዘለዎ'ዩ። ስለዚ [ትካላት] ክዕጾ ስለዘይብሉ፡ ኣገልግሎት ክዕጾ ስለዘይብሉ፡ ኣብዚ ሕጋዊ ስጉምቲ ወሲድና ኣለና\" ኢሉ። \"ጾምን ጸሎትን ሓድሽ ነገር ኣይኮነን። ጸሎትን ምምሕዳርን ኣይራኸብን። ናይ ኣገልግሎት ህዝቢ ዓጺኻ ጸሎት ምባል ሓድሽ ነገር እንተዘይኮይኑ ተራእዩ ኣይፈልጥን። ጸሎት ዝግበር ኣብ ቤተ-ክርስትያን'ዩ፡ ኣብ መስጊድ'ዩ። ትካላት ግን ክዕጾ ኣይግባእን።\" ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ሻውዓይ ወርሑ ዘቑጸረ ኲናት ስዒቡ፡ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት እንትቕተሉ፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ንሱዳን ተሰዲዲም፤ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ድማ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ተመዛቢሎም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ይግለጽ። ከምኡ ድማ፡ ሰፊሕ ዝኾነ ዘመተን ጾታዊ ዓመጻትን ከምዝተፈጸመን ሓያል ጥሜት ኣንጸላልዩ ከምዘሎን ትካላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ይገልጻ። 'ፆመ-ትግራይ' እንታይ እዩ? ጾመ ትግራይ፡ እቲ ኣብቲ ክልል ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ናይ ኣዴታት ሞትን ጾታዊ ዓመጽን ከምኡ'ውን ግፍዓዊ ቅትለት ኣቕሽሽትን መራሕቲ ሃይማኖትን ንምኹናን፤ ንምዝካርን ዝዓለመ ኮይኑ ኣብተን ዝተጠቐሳ ሰለስተ መዓልታት: ካብ ግንቦት 17-19፡ ህዝቢ ትግራይ ንፈጣሪኡ ጸሎትን ልመናን ዘብጸሐሉ፡ ርክቡ ምስ ፈጣሪ ጥራይ ዝገብረሉን ከምዝኾነ እዩ ተኣዊጁ። ገለ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ዲያስፖራ ኣብቲ መደብ ተጸምቢሮም ክጉስጉሱን ክጾሙን ተራእዮም ኣለዉ። እቲ ዝተኣወጀ ፆምን ጸሎትን፡ ብፍላይ ንተወለድቲ እቲ ክልል ዝምልከት ኮይኑ ንሃይማኖትን እምነትን ውልቀሰባት ኣይፈልን ተባሂሉ። እቲ ኣዋጅ፤ ክሳብ 11 ሰዓት ኣጋ ምሸት እኽለ ማይ ከይለኸፍካ ምውዓል፣ ስልኪ ዘይምዝራብን ዝኾነ ማሕበራዊ ምንቅስቓስ ካብ ምግባርን ካብ ጾታዊ ርክባትን ምቑጣብን ዝጠልብ እዩ። ገለ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ፡ ትማሊ ኣብ ትግራይ ሚድያ ሃውስ ቀሪቦም ነቲ ጾመ ጸሎት ብዕሊ ኣዊጆም። 'ጾመ ትግራይ' መጀመርታ ካብ ኣብ ገዳማት ትግራይ ዝርከቡ ኣቦታት ዝተኣወጀ ኮይኑ፡ ኣብቲ ዝተቓለሐ ሰነድ፡ ንመጻኢ ድማ ተመሳሳሊ ግፍዒ ከይፍጸም ከም መዘከርታ ሓወልቲ ኽኸውን ዝብል ይርከቦ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57218451"} {"headline":"ተቃውሞ ኣንጻር መንግስቲ ሱዳን ሎሚ ንካልኣይ መዓልቱ ቀጺሉ","content":"ትማሊ ሰንበት ብኣማኢቲ ዝቑጸሩ ሱዳናውያን ዘካየድዎ ተቓውሞ ኣንጻር መንግስቲ ሱዳን ሎሚ'ውን ቀጺሉ ኣሎ። ሱዳን ናብ ዲሞክራሲ እትገብሮ ስግግር ዝቃወሙ ሰልፈኛታት ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ካርቱም ኣብ ዘካየድዎ ሰልፊ ተቓውሞ፡ እቲ ሰራዊት ዕልዋ መንግስቲ ክፍጽም ጠሊቦም ነይሮም። ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ቅልውላው እናዓሞቐ ኣብ ዝኸደሉ ሰዓት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ኣብ ፊት ቤተ መንግስቲ እታ ሃገር ወጺኦም እዮም፡ ዕልዋ መንግስቲ ክካየድ ፀዊዖም። ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ ሰልፈኛታት ብቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ዝምራሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ክፈርስ ሓቲቶም። እቶም ሰልፈኛታት እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ነታ ሃገር ናብ ፖለቲካውን ቁጠባውን ቅልውላው ኣእትዩዋ ኢሎም ነቒፎም። ከምኡ'ውን 'ሓደ ህዝቢ ሓደ ሰራዊት' ዝብል ጭርሖ ኣስሚዖም ተባሂሉ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ንሲቪላዊ መንግስቲ ዝድግፉን ነቶም ንወተሃደራዊ ዕልዋ ዝሓቱን ንሓሙስ ኣብ ጎደናታት ከውጽኡ ቆጸራ ሒዞም ኣለዉ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ እቲ መሰጋጋሪ መንግስቲ ኣትይዎ ካብ ዘሎ ኣዘቕቲ ዘውጽእ ዝበሎ ትልሚ ዕላዊ ምግባሩ ዝዝከር እዩ። \"ኣነ ኣብዚ ጉዳይ መንጎኛ ኣይኮንኩን፤ ናተይ ቅዋም ሙሉእ ንሙሉእ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ምስግጋር እዩ\" ኢሉ። ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሺር ኣብ 2019 ካብ ስልጣን ካብ ዝእለ ጀሚሩ፡ ቤት-ምኽሪ ሰራዊትን ሲቪልን ብሓባር ስልጣን ሒዞም ጸኒሖም። እንተኾነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም፡ ምስ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሺር ርክብ ነይሩዎም ዝተብሃሉ ወተሃደራት፡ ዕልዋ መንግስቲ ካብ ዝፍትኑ ንደሓር ወጥርታት ዓሲሉ ይርከብ። ካብኡ ንደሓር ጀሚሩ፡ ኣብ ገለ እቶም ነቲ ናይ ጥሙር ስግግር መንግስቲ ዘቖሙ ሲቪል [ኤፍኤፍሲ] ክልወጡ ዝጠልቡ ሕቶታት ይቐርቡ ኣለዉ። ሰራዊት እታ ሃገር ድማ፡ እቲ ካቢነ ብካልእ ክትካእ ይሓትት ኣሎ። ኣብቲ ቀዳም ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ‘እዚ ጥሙይ መንግስቲ'፡ 'ፍትሕን ማዕርነትን ከስፍን ኣይከኣለን' 'ወተሃደራዊ መንግስቲ ዕልዋ ክፍጽም ንጠልብ’ ወዘተ ዝብሉ ጭርሖታት ሒዞም ወጺኦም-ይብል ኤኤፍፒ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58881539"} {"headline":"ሓደ ሲቪል መራሒ ሚያንማር ተቓውሞ ክቕጽል ጸዊዑ","content":"ሰራዊት እታ ሃገር ዕልዋ መንግስቲ ምስ ኣካየደ ካብቶም ካብ ስልጣኖም ዝተኣለዩ ሓደ ዝኾነ መራሒ ጉጅለ ሲቪል መራሕቲ ሚያንማር፡ እቲ ዝተጀመረ ናይ ለውጢ ተቓውሞ በርቲዑ ክቕጽል ጸዊዑ። ማን ዊን ኻይንግ ታን፡ ከምዚ ዝበለ ኣብ ናይ ፈላማይ መግለጺኡ እዩ። ንሱ፡ “እቲ ዘለናዮ ኩነታት ሃገርና ኣብ ፀልማት ዝኣተወትሉ እዋን እዩ፤ ክወግሕ ግን ቀሪቡ ኣሎ” ኢሉ። ንሱ፡ ገለ ካብቶም ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝተቓወሙ ኣባላት ባይታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ኾይኑ፡ ካብቲ ዝተሓብአሉ ኾይኑ እዩ ነዚ መግለጺ ሂቡ። ዛጊድ 12 ካብ ተቓወሞ ሰልፈኛታት ከምዝተቐትሉ ይዝረብ። ኣብዛ በርማ እናተብሃለት’ውን እትጽዋዕ ሃገር፡ እታ ወተሃደራዊ ሓይሊ ለካቲት ሓደ ንዝተመርጸት መራሒት ኣንግ ሳን ሱቺ ካብ ስልጣና ኣልዩ፡ ስልጣን ካብ ዝቆጻጸር ጀሚሩ፡ ናይ ጎደና ተቓውሞታት ቀጺሎም ኣለዉ። ንሳ፡ መራሒት ሃገራዊ ሊግ ንዲሞክራሲ ዝበሃል ሰልፊ እያ ነይራ። እቲ ንሳ እትመርሖ ውድብ፡ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ዝተኻየደ ሃገራዊ መረጻ እንተሰዓረ’ኳ፡ እቲ ሰራዊት እቲ መረጻ ምትላላት ከምዝነበሮ እዩ ዝገልጽ። ገለ ኣባላት እዚ ወድብ ኮይኖም ተመረጽቲ ባይቶ ዝነበሩ መራሕቲ ካብ ምእሳር ኣምሊጦም፡ ኣብ በረኻ ዝርከቡ ኾይኖም፡ ብማህን ዊን ኻይንግ ታን ዝምራሕ ሓደ ኮሚቴ ድማ ኣጣይሶም ኣለዉ። እዚ ኮሚቴ፡ ከም ሓቀኛ መንግስቲ ሚያንማር ኮይኑ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ክረክብ እዩ ዝፅዕር ዘሎ። ማህን ዊን ኻይንግ እንታይ እዩ ኢሉ? እቲ መራሒ እቲ ጉጅለ፡ ኣብ ፌስቡክ ዘስመዖ ዘረባ፡ “እዚ እዋን ዜጋታት ኣንጻር እቲ ገጢሙና ዘሎ ጸልማት እዋን ዝፍተንሉ እዋን እዩ” ኢሉ። “ቅድም ክብል ብዝተፈላለዩ ዓይነታት ምልካዊ ስርዓታት ክውጽዑ ዝጸንሑ ዓሌታትን ህዝብታትን፡ እቲ መድሕኖም ዝኾነ ፌዴራላዊ ስርዓት ንምድሓን እዚ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ [ተቓውሞ] ምግባር ናይ ሞትን ሕየተን ጉዳይ እዩ” ኢሉ። ዋላ ኣፈላለይ እንተሃለየ’ውን ንዕኡ ኣጽቢብካ፡ ኢድ ንኢድ ተታሒዝካ ነቲ ‘ምልካዊ’ ዝበሎ ስርዓት ዝእለየሉ እዋን ምዃኑ ድማ ወሲኹ ተዛሪቡ። እቲ ሰራዊት ግን፡ እዚ ንዓርሱ ኣፍልጦ ዝጠልብ ዘሎ ጉጅለ ዘይሕጋዊ ከምዝኾነን ምስኡ ዝተሓባበረ ዝኾነ ሰብ ብሃገር ክሕደት ከምዝሕተትን ኣጠንቂቑ ኣሎ። ድሕረ ባይታ ዘይሻራዊ ዓለም ለኻዊ ተዓዘብቲ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝተኻየደ መረጻ ምትላላት ተፈጺሞምዎ እዮም ዝብል ካብቲ ሰራዊት ዝነቐለ ቅረታት መርሚሮም፡ ውድቂ ገይሮምዎ እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ እቲ ሰራዊት፡ ንሱቺ 600 ሽሕ ዶላርን ዓሰርተ ሓደ ኪሎ ወርቅን ብዘይሕጋዊ መገዲ ተቐቢላ ዝብል ክሲ ኣቕሪቡላ ኣሎ። እንተኾነ፡ ነቲ ክሲ መርትዖ ኣይተረኸቦን። እታ ሲቪል መራሒት፡ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ዘይተፈለጠ ቦታ ኣብ ቀይዲ እትርከብ ኮይና፡ ካልኦት ዝተፈላለዩ ክስታት’ውን ክቐርቡላ ጸኒሖም እዮም። ካብኣቶም ሓደ ድማ፡ ዘይሕጋዊ መሳርሕታት ራድዮን ድሕነትን ሒዛ ነይራ ፤ ተፈራርሕ ነይራ ከምኡ ድማ ኣዋጃት ኮቪድ-19 ጥሒሳ ዝብሉን ካልኦትን ክስታት ቀሪቦምላ እዮም። እቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ጀሚሩ፡ ነቶም ተቓውሞታት ንምግታእ ሓይሊ እናተጠቐመ ዝርከብ ኮይኑ፡ ዛጊድ ቅትለት 12 ሰባት ድማ ኣስዒቡ። ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ድማ፡ ነቲ ተግባር እናኾነነ ይርከብ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56391505"} {"headline":"ናዕቢ ቱኒዛውያውያን እንትቕጽል፡ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰባት ተኣሲሮም","content":"ፖሊስ ቱንዝያ ኣብቲ ራብዓይ መዓልቲ ኣቑፂሩ ዘሎ ናዕቢ፡ 600 ሰባት ከምዝአሰረ ኣፍሊጡ። ትማሊ ሰኑይ ድማ፡ ብዙሓት ቱኒዛውያን መናእሰይ ብምትእኽኻብ ኣብ ጎደናታት ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ቱኒዝ፡ ናብ ፖሊስ እምኒን ተባራዕቲ ነገራትን ክድርብዩ ተራእዮም። ኣካላት ፀጥታ ብወገኖም፡ ነዞም ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ትክን ሓያል ድፍኢት ዘለዎ ማይን ተጠቒሞም። ብቁጠባዊ ፀገም ትሕቆን ዘላ ቱኒዝያ፡ ሲሶ መናእሰይ እታ ሃገር ሸቕሊ ኣልቦ እዮም፤ እዚ ዝወለዶ ሕርቃን ከኣ፡ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት መናእሰይ ናብ ኣደባባይ ወጺኦም ክቃወሙ ጠንቂ ከምዝኾነ ይግለፅ። ብፍላይ ድማ፡ ኣብዚ ግዘ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ እቲ ዝነበረ ቁጠባዊ ቅልውላው ዓሪጉ እዩ። እዚ ናይ ሕዚ ናዕቢ፡ ድሕሪ እቲ ከም ቀንዲል ቀውዒ ዓረብ ዝረአይን ኣብታ ሃገር ዲሞክራሲ ዝወለደን ሰውራ ቱኒዛውያን፡ ድሕሪ 10 ዓመታት እዩ ዝካየድ ዘሎ። ትማሊ ሰኑይ ካብ ርእሰ ከተማ ቱኒዝ ብተወሳኺ፡ ኣብ ከተማታት ካሰሪን፣ ጋፍሳ፣ ሳውስን ሞናስትሪን ጎንፅታት ከምዝነበሩ ተገሊፁ። ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር፡ እቶም ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሩ ዝተኣሰሩ መናእሰይ፡ ኣብ ምዕናውን ምዝማትን ዝተዋፈሩ ከምዝኾኑ ገሊፁ። ወሃቢ ቃል ካህሊድ ሓዮኒ፡ ኣብዚ ናዕቢ ክልተ ፖሊስ ከምዝተጎድኡን እዚ ምስ ሰልፊ ተቓውሞ ዘራኽብ ከምዘይብሉን ከኣ ተዛሪቡ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብወገኑ፡ ሰብመዚ ግዱብ ሓይሊ ክጥቀሙን፡ ሰብኣዊ መሰል እቶም ዝተኣሰሩ ተቓወምቲ ከኽብሩን ፀዊዑ ኣሎ። ቅድሚ 10 ዓመታት ውልቀ መላኺ ዘይን ኣል ኣበዲን ቤን ዓሊ ብሰውራ ቱኒዛውያን ካብ ወንበሩ ተገሊፉ ናብ ስዑድ ዓረብ ምስ ሃደመ፡ ቁፅሪ ብሸቕሊ ኣልቦነትን ትሑት ህዝባዊ ኣገልግሎትን ዝሓርቁ ኣእላፍ ቱኒዛውያን እናወሰኸ መፂኡ ኣሎ። ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 2020 ቁጠባ ቱኒዝያ ብ 9 ሚእታዊት ዘንቆልቆለ እንትኸውን፡ ዋጋ ሸቐጣት እውን ኣዝዩ ተወንጪፉ። ቀንዲ ዓንዲ ሑቐ ቁጠባ እታ ሃገር ዝኾነ ኢንዳስትሪ ቱሪዝም’ውን እንተኾነ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ለሚሱ እዩ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55715491"} {"headline":"ኣብ ሩሲያ፡ 5 ሽሕ ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ተኣሲሮም","content":"ኣብ ሩስያ፡ ንማእሰርቲ መራሒ ተቓውሞ ኣሌክሲ ናቫልኒ ተቓዊሞም ናብ ኣደባባያት ዝወጽኡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። ምምሕዳር ፑቲን፡ እዞም ሰልፈኛታት ዘይሕጋውያን እዮም ብዝብል ናብ ኣደባባያት ከይወጹ ከጠንቅቕ ጸኒሑ እዩ። ዛጊድ፡ ሓሙሽተ ሽሕ ሩስያውያን ተኣሲሮም ኣለዉ። ፖሊስ፡ ቅድሚ እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ምጅማሩ፡ ንመደብራት ባቡርን ንኻልኦት ቀንዲ ናይ ምንቅስቓስ ማእከላትን ዓጽዩ ነይሩ። ቀንዲ ተቐናቓኒን ነቓፍን ፕረዚደንት ፑቲን ዝኾነ ኣሌክሲ ናቫልኒ፡ ኣብ በርሊን ዝገብሮ ዝነበረ ሕክምና ወዲኡ ናብ ሩስያ ምስኣተወ፡ ሽዑ ንሽዑ እዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። እቲ መራሒ ተቓውሞ፡ ብኣባላት ጸጥታ ፑቲን ከምዝተሰመመ እዩ ዝግለጽ። ቤት ጽሕፈት ክሬምሊን ግን ኣይወዓልናዮን እዩ ዝብል። እቲ ተቓዋሚ ዋላ’ኳ ብሰንኪ’ቲ ዝጋጠሞ ምስማም ህይወቱ ንስክላ እንተደሓነት’ውን፤ ንሱ ግን ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ቃልሱ ካብ ምቕጻል ኣየብኮረን። ድሕሪ ማእሰርቱ ድማ፡ ብዙሓት መንግስተት ኣውሮጳ ንመምሕዳር ፑቲን ኣትሪሮም ነቒፎም እዮም። ሩስያ፡ ንተቓወምቲ ብምስማም ትቐትል እያ ብዝብል ክስታት ይቐርበላ እዩ። እዚ ከም’ዚ እንተሎ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ነቲ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ዋጋ ኣለዎ ዝተብሃለ ሓድሽ ቤተመንግስቲ ‘ኣይናተይን’ ኢሉ’ሎ። ተቓወምቲ ግን፡ እዚ ‘ናይ ሕንቃቐ’ ዘብለጭልጭ ቤተ መንግስቲ፡ ናይ ፑቲንን ስድርኡን እዩ ክብሉ ይዛረቡ ነይሮም። ነዚ ቤተመንግስቲ ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ሩስያ ክዝርጋሕ ዝቐነየ ኮይኑ፡ ቁጠዐ’ውን ኣልዒሉ እዩ። እቲ ቪድዮ፡ ኣብ ዩቱብ ልዕሊ ሚኢቲ ሚልዮን ግዜ ተራእዩ’ሎ። ፑቲን፡ ብወግዒ እቲ ቤተ መንግስቲ ኣይናተይን ኢሉ ዝተዛረበ ክኸውን ከሎ፡ ነቲ ጸብጻብ ድማ ‘ዘይረብሕ’ ክብል ነጺግዎ። ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ናይ ፑቲን መተዓብይትን መሓነን ዝኾነ ቢልዮነር አርካዲ ሮከንበርግ፡ እዚ ህንጻ ናተይ እዩ ክብል ብወግዒ ተዛሪቡ’ሎ። ተቓወምቲ ግን፡ እቲ ሃብታም ተገዲዱ እዩ ከምኡ ዝብል ዘሎ ኢሎም ይኣምኑ። ኣብ ሩስያ እቲ ንኻልኣይ ሰሙን ቀጺሉ ሰሎ ተቓውሞታት፡ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ፑቲን ዘለዎ ቅረታ ዘርኣየሉ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ሩስያ ተቓውሞ ንምግባር ምፍታን ኣዝዩ ዋጋ ዘኽፍል ምዃኑ፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሳራ ራይንፎርድ ትገልጽ። ሰልፈኛታት፡ ዋላ’ኳ ብፖሊስ ካብ ምቕጥቃጥን ምእሳርን እንተደሓኑ፡ ካብ ስርሖም ክስጎጉ ወይ’ውን ገንዘብ ክቕጽዑ ይኽእሉ ትብል። እቶም ሰልፈኛታት፡ ኣብ’ቲ ትማሊ ሰንበት ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ናብ’ቲ ናቫልኒ ተኣሲሩሉ ዘሎ ቤት ማእሰርቲ ገጾም ክጽግዑ ፈቲኖም ነይሮም፤ ፖሊስ ግን በቲንዎም። በዓልቲ ቤት ናይ’ቲ መራሒ ተቓውሞ’ውን ኣብ’ዚ ሰልፊ ተሳቲፋ እያ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55884865"} {"headline":"ኣመሪካ፡ ኣብ ሚያንማር ዝተፈጸመ ቅትለት ብትሪ ኮኒና","content":"ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ መንግስቲ ኣመሪካ በቲ ትማሊ ቀዳም ኣብ ሚያንማር ዝተፈጸመ ቅትለት ኣዝዩ ከምዝጎሃየ ገሊጹ። ወተሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ኣብ ብዕልዋ ስልጣን ካብ ዝቆፋጻር ንደሓር፡ ትማሊ ብሓይልታት ጸጥታ ዝተፈጸመ መቕተልቲ እቲ ዝኸፍአ እዩ ተባሂሉ። በቲ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 100 ሰባት ተቐቲሎም። እቲ ስልጣን ተቖጻጺሩ ዘሎ ወተሃደራዊ ጁንታ፡ \"ንናይ ውሑዳት ረብሓ ክብል ናይ ህዝቢ ህይወት መስዋእቲ ይገብር ኣሎ\" ኢሉ ሚስተር ብሊንከን። \"ተባዕ ህዝቢ ቡርማ ግን ነቲ ወተሃደራዊ ሽብር ነጺግዎ ኣሎ\" ክብል ድም ነቲ ህዝቢ ንኢዱ። ኣብ'ታ ሃገር ዝርከብ ኢምባሲ ኣመሪካ፤ ዕጡቓት ሓይልታት መንግስቲ ዕጥቂ ዘይብሎም ንጹሃን ዜጋታት ይቐትል ከምዘሎ ገሊጹ ነይሩ። ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ ድማ፤ ደጊም መጋቢት 27 ዝኽበር መዓልቲ ሓይልታት ምክልኻል ከም ናይ መርአያ 'ሽብርን ዘይሓቃዊነትን' እዩ ኮይኑ ክዝከር ኢሉ። ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብወገኑ፤ በቲ ኩነታት ኣዝዩ ከምዝሰንበደ ገሊጹ። እቲ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ሓዊሱ ዝተፈጸመ ቅትለት፤ ገለ በቲ ሰራዊት ዝተመሓላለፈ መጠንቀቕታ ብምጥሓስ ናብ ጎደናታት ንተቓውሞ ምውጸኦም ስዒቡ እዩ ኣጓኒፉ። ንፖለቲካዊ እሱራት ንምሕጋዝ ዝሰርሕ ሓደ ማሕበር [AAP] ፤ ኣብቲ ዕለት ብውሕዱ 91 ሰባት ከምዝተቐትሉ እንተረጋግጽ፡ ገለ ናይቲ ከባቢ መራኸቢ ብዙሐን እቲ ቁጽሪ ክብ የብልዎ። ቱ ያ ዛው ዝተብሃለ ነባሪ ንሮይተርስ ከምዝበሎ፡ \"ዋላ ኣብ ገዛውትና ከም ኣዕዋፍን ከም ደርሁን እዮም ዝቐትሉና ዘለዉ፤ እንተኾነ ዝኾነ ይኹን'ምበር ተቓውሞ ጠጠው ክነብል ኢና መለት ዘበት እዩ\"። ዛጊድ እቲ ሰራዊት ኣብ ሓደ ለካቲት፡ ነታ ብመረጻ ዝሰዓረት ኣንግ ሳን ሱ ኪ ብዕልዋ ኣልዩ፡ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ጀሚሩ፤ ልዕሊ 400 ሰባት ቀቲሉ ኣሎ። ኣብ ሶሻል ሚድያ ዝተዘርገሑ ምስልልታት፡ ብጥይት ዝተወቕዑ ሰባትን ሓዘኖም ዝገልጹ ስድራቤታትን የርእዩ። ኣብ ዩከይ፡ ዳይሬክተር ኔትወርክ ሰብኣዊ መሰላት ቡርማ፡ ኪያው ዊን፤ እቲ ሰራዊት 'ካብ ምቅታል ዝኾነ ዝእግድ ነገር ኮነ መርሓ የብሉን፤ ጅምላዊ ጨፍጫፍ እዩ ዘካይድ ዘሎ'ኢሉ። ገለ ሚድያታት ብዝሒ መወትቲ ክሳብ 114 ይብጽሕ እዩ ክብሉ እንለዉ፡ ካብቶም ዝተቐትሉ ሓንቲ ጓል 13፡ ኣብ ገዘኣ ዝጠቀትለት፤ ከምእትርከቦም ተሓቢሩ። እቲ ቕትለት ኣብ ዝተፈላለያ ተቓውኦ ዝተርአየለን ከተማታትን ዝተፈጸመ ኾይኑ፤ እቲ ሰራዊት ዛጊድ ኣብቲ ጉዳይ ርእይቶ ኣይሃበሉን። ሚን ኣንግ እላንግ ዝተብሃለ ነቲ ሰራዊት ወኪሉ ኣብ ስልጣን ዘሎ ግን፡ ኣብ መዓልቲ ሰራዊት ኣብ መንግስታዊ ተለቪዥን ቀሪቡ፡ \"ኣብታ ሃገር ዲሞክራሲ ንምስፋን ምስ መላእ እታ ሃገር ክንትሓባበር ኢና \" ኢሉ። \"መርግጋእ ዝከልኡ ናዕብታትን ዘይሕጋዊ ምትእኽኻባትን ምግባር ግን ግቡእ ኣይኮነን \" ድማ ኢሉ። ኣብ ምያንማር ብምኽንያት ኣብ 1945 ኣንጻር ጎቦጣ ጃፖን ዝተለዓለ ወተሃደራዊ ቃልሲ ዓመታዊ መዓልቲ ሰራዊት ምያንማር ተባሂሉ ዕለት 27 መጋቢት ይብዓል እዩ። እቲ ዝኽሪ፡ መዓልቲ ሰራዊት ምያንማር ብዙሕ ግዜ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጽኡ መራሕቲ'ውን ይሳተፍዎ ነይሮም'ዮም፡ ሎሚ ዓመት ግን ምክትል ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ ኣሌክሳንደር ፎርሚን ጥራይ እዩ ተሳቲፉ። ሚን ኣንጉ ህላንግ ንምስታፍ እቲ ምክትል ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል \"ሩስያ እታ ሓቀኛ መሓዛ ምያንማር'ያ\" ኢሉ። ኣመሪካ፡ ዓባይ ብርጣያንያን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ምያንማር ዕልዋ ዘካየደ ዕጡቕ ጉጅለ እገዳ ምንባረን ይዝከር። ኣብ መንጎ ምያንማርን ሩስያን ዝነበረ ርክብ ኣብ ዝሓለፈ ቅሩብ ዓመታት ናብ ዝልዓለ ምድግጋደፍ ክብ ክብል ጸኒሑ እዩ። ሩስያ፡ ንኣሽሓት ወተሃደራት ምያንማር ወተሃደራዊ ተዓሊም ብምሃብን፡ ወተሃደራዊ ብረታት ብምሻጥን ንምያንማር ክትድግፋ ጸኒሓ እያ። በርማ ዝብል ስም'ውን ዘለዋ ምያንማር፡ ኣብ 1948 ካብ ብርጣንያ ነጻ ወጺኣ፡ ድሕሪ ናጽነታ ኣብ ዝነበረ ዓመታት ኸኣ እቲ ዝብዝሐ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ እያ ኣሕሊፋቶ። ኣብ'ታ ሃገር ዝነበረ ቀይዲታት ኣብ 2010 ክልሕልሕ ጀሚሩ፡ ኣብ 2015 ኸኣ ኣን ሳን ሱቺ ዝተመረጸትሉ ዲሞክራስያዊ ምርጫ ተኻይዱ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56507073"} {"headline":"ደቡብ ኣፍሪቃ ተላዒሉ ዘሎ ናዕቢ ንምህዳእ ወተሃደራት ኣዋፊራ","content":"ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሲራል ራማፎሳ፡ ነቲ ብማእሰርቲ ጃኮብ ዙማ ዝተልዓለ ሓያል ናዕቢ ስዒቡ፡ ሰባት ካብ ከምዚ ዓይነት ተግባር ክቑጠቡ ጸዊዑ። ወዲ 79 ዓመት ዙማ፡ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ብዘይምኽባሩ ዝተፈረደሉ ናይ 15 ኣዋርሕ ማእሰርቲ ንምጅማር ብረቡዕ ባዕሉ ንሰበስልጣን ኢዱ ድሕሪ ምሃቡ፡ ደገፍቱ ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ተቓውሞ ከስምዑ ጀሚሮም። ብምኽንያት እቲ ዝተላዕለ ናዕቢ ዛጊድ 6 ሰባት እንትቕተሉ 500 ድማ ተኣሲሮም ኣለዉ ተባሂሉ። ኮይኑ ግና ነቲ ካብታ ናይቲ ፕረዚደንት ነበር መንበሪት ዝኾነት ግዝኣት ክዋዙሉ-ናታል ክሳብ ጆሃንስበርግ ንዝተወለዐ ናዕቢ፡ ገበነኛታት ይብለጽሉ ከምዘለዉ ፖሊስ ገሊጹ። ብዙሓት ድኳናት ዝተዘምቱ ኮይኖም ገለ ዓበይቲ ህንጻታት ድማ ብሓዊ ተቓጺሎም። ኣብ ግዝኣታት ጎተንግን ኣብ'ታ ንዙማ ትውልዲ ዓዱ ዝኾነት ግዝኣት ክዋዙሉ-ናታልን ወተሃደራት ተዋፊሮም ኣለዉ። ፕረዚደንት እታ ሃገር ሰሪል ራማፎዛ፡ ብቀጥታ ብሃገራዊ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ እቲ ናዕቢ ክሃድእ ጸዊዑ ኣሎ። \"ኣብ ናይ ዘመንና ደሞክራሲ ከምዚ ዓይነት ፋሉልነት ተራእዩ ኣይፈልጥን\" ክብል ድማ ኮኒንዎ። ጃኮብ ዙማ፡ ኣብ እዋን ዘበነ ስልጣኑ ተፈፂሙ ዝተባህለ ብልሽውና ብዝምልከት ይካየድ ኣብ ዝነበረ ምርመራ ናብ ቤት ፍርዲ ኣይቀርብን ብምባሉ እዩ ቤት ፍርዲ ብምድፋር ክእሰር ተወሲኑ። ንሱ፡ እቲ ዝተፈርደሉ ማእሰርቲ ክስረዘሉ ወይ ድማ መጠኑ ክንከየሉ ተስፋ ዝገብር ኾይኑ፡ ሰብ ሞያ ሕጊ ግን ከምኡ ናይ ምዃን ዕድሉ ትሑት ምዃኑ እዮም ዝዛረቡ። ነቲ ክስታት ዝነጽግ ዙማ፡ ኣብቲ መስርሕ ፍርዲ ንምትሕብባር ፍቓደኛ ኣይኮነን ጸኒሑ። ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ: ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ደቡብ ኣፍሪቃ ማእሰርቲ ዙማ ንምጽናሕ ዝተገበረ ፈተነ ነጺግዎ እዩ። ሓደሽቲ ተጓንፎታት ካብ ከተማ ደርባን ዝወጽኡ ዘለዉ ምስልታት ሓያሎ ድዃናት እንትዝመቱን ካልኦት ትካለት ንግዲ እንትስረቑን ዘርእዩ እዮም። ኣብ ጆሃንስበርግ ድማ፡ ሰረቕቲ ቴሌቪዥናት፣ ማይክሮዌቭን ክዳንትን ክዘምቱ ተራእዮም። እዚ ብዝምልከት፡ ፕረዚደንት ራማፎሳ \"እቲ ሕዚ ንሪኦ ዘለና፡ ነቲ ኩነታት ናይ ምብላጽ ገበን እዩ። ገለ ጉጅለታት ነቲ ስርቅን ዘመተን ንምፍጻም፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኮነ ኢሎም ናዕቢ የላዕሉ ኣለዉ\" ኢሉ። ንሱ፡ ብፍላይ ነቲ ኣብ ግዝኣታት ክዋዙሉ-ናታልን ጓተንግን ዘሎ ሰፊሕ ናዕቢን ንዕኡ ስዒቡ ዘርአ ዘሎ ዕንወትን: ዝኮነ ፖለቲካዊ ኾነ ካልእ መበገሲ ተቓውሞ ከምዘይብሉ ተዛሪቡ። ብሰንበት ኣባትር ዝሓዙ ሓያሎ ተቓወምቲ ብማእከል ከተማ ጆሃንስበርግ ክሓልፉ ተራእዮም። ብቐዳም ምሸት ድማ ኣስታት 300 ዝኾኑ ሰባት ዓብዪ ጽርግያ ጆሃንስበርግ ዝዓጸዉ ኮይኖም፡ ናይ ዝቃጸላ መካይንን ህንጻታትን ምስሊታት ተራእዮም ነይሮም። እቲ እናተጋደደ ዝመጽእ ዘሎ ናዕቢ፡ ንከይዲ ክታበት ኮቪድ-19 ዝጸለዎ ኾይኑ ኣብ ገለ ቦታታት ክታበታት ከምዝተዘምተን ከምዝዓነውን ኤኤፍፒ ጸብጺቡ። ኣብ ካልኦት ድማ፡ ማእከላት ክታበት ክዓጽዉ ተገዲዶም ከምዘለዉ ይዝረብ። እቲ ፕረዚደንት፤ \"ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ዝነበረ መደብ ክታበትና ተቛሪጹ ኣሎ፤ እዚ ድማ ነቲ ቁጠባና ናብ ንቡር ንምምላስ ኣብ እንገብሮ ምንቅስቓስ ዘይዛሪ ጽዕንቶ ክህልዎ እዩ\" ኢሉ። ብካልእ ሸነክ ዙማ፤ ዙማ 5 ቢልዮን ዶላር ገንዘብ ዘካተተ ዕድጊት ኣጽዋር ውግእ ብዝምልከት ብብልሽውና ዝሕተት ኮይኑ፤ ንሱ ጥር ትብል ስሕተት ከምዘይሰርሐ እዩ ዝምጉት። ደገፍቲ ድማ፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንትን መሻርኽቱን ዝወደብዎ ፖለቲካዊ ውዲት ከምዝኾነ እዮም ዝገልጹ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57794559"} {"headline":"ሕጹያት ተወዳደርቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማልያ ተቓውሞታት ክካየድ ጸዊዖም","content":"ሕጹያት ተወዳደርቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማልያ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓርቢ ኣንጻር እቲ '' ዘይሕጋዊ ስልጣን ጨቢጡ'ሎ'' ዝበልዎ መንግስቲ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብደላ ፋረማጆ ተቓውሞታት ክካየድ ጸዊዖም። ፕረዚደንት ሶማልያ ነበር ሸክ ሸሪፍ ሸክ ኣሕመድ ነቶም ካልኦት ሕጹያት ተወዳደርቲ ወኪሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቲ ባይቶኣውን ፕረዚደንታውን ምርጫ ከዳሉ ከምዝፈሸለ ገሊጹ። ኣብ ሶማልያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ክካየድ ዝነበሮ ፕረዚደንታዊን ባይቶኣውን ምርጫታት ዘይምክያዶም ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ቅልውላዉ ፈጢሩ ይርከብ። ዕድመ ስልጣን ፕረዚደንት መሓመድ ዓብደላ ፋረማጆ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተወደአ ኸይኑ፡ ከምኡ'ውን እታ ሃገር ኣብ ታሕሳስ 2020 ከተካይዶ ዝነበራ ምርጫ ከተተግብር ኣይከኣለትን። ኣብታ ሃገር፡ ባይቶ እታ ሃገር ከይተመርጸ፡ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከተካይድ ኣጸጋሚ ከምዝኾነ ይግለጽ። እቶም ሕጹያት ተወዳደርቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማልያ፡ ነበርቲ ሞቓድሾ ኣንጻር'ቲ ዘይሕጋዊ መንግስቲ ተቓውሞኦም ከስምዑ ጸዊዖም ኣለው። እንተኾነ ግን፡ ኣብታ ከተማ ሕግን ስርዓትን ውሑስ ብዘይምዃኑ ብዙሓት ሰባት ንሰለማዊ ሰልፊ ክወጽኡ'ዮም ዝብል ግምት ከምዘየለ ተንተንቲ ይሕብሩ። ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሰራዊት መንግስቲ ካብቲ ንካልኣይ እብረ ክወዳደር ዝነበሮ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ 'ፋርማጆ' ትእዛዝ ከይቅበሉ ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት ጸዊዖም ነይሮም። መራሕቲ ሶማልያ፡ እቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ እታ ሃገር መዓስ ከምዝካየድ ገና ኣይተማምዑን ዘለው። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግን ኣብ መንጎ መራሕቲ ሶማልያ ዘተ ክካየድ ጸዊዑ'ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብታ ሃገር ክሳዕ ንስልጣን ዝትክእ ዝርከብ ናይ ስልጣን ሃጓፍ ከይፍጠር፡ ባይቶ ሃገርን ፕረዚደንትን ስልጣኖም ክቕጽሉ ዘፍቕድ ውሳነ ብባይቶ እታ ሃገር ጸዲቑ ነይሩ። እታ ሃገር ኣብ ታሕሳስ 2020 ባይቶኣዊ ምርጫ ክተካይድ ነይሩዋ። እንተኾነ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ዞባዊ ኣማሓደርትን ብዝተፈጥረ ምስሕሓብ ክካየድ ኣይተኻእለን።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/56067024"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ዝድግፍ ሰልፊ ኣካይዶም","content":"ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስኣበባ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት፡ ነቲ ንዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ኲናት ትግራይ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ዝዋጋእ ዘሎ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ደገፎም ንምርኣይ ሰልፊ ኣካይዶም። እቲ ኣብ ትግራይ ይካየድ ዘሎ ውግእ ናብ ጎረቤት ክልል ኣብ ዝሰፍሐሉ እዮም እቶም ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኢና ዝበሉ ኣሽሓት ሰልፈኛታት ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ድጋፎም ገሊፆም ዘለዉ። እቶም ሰልፈኛታት ብዝሓዝዎ ጭርሖታት ንህወሓት ብምቅዋም፡ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ከምዝኾኑ ገሊፆም። ኣብ ካልኦት ከተማታት እታ ሃገር'ውን ብተመሳሳሊ፡ ክልላት ኢትዮጵያ ናብ ኲናት ትግራይ ፍሉይ ሓይለን ምልኣኸን ንምድጋፍ ዝዓለመ ሰልፍታት ከምዝተኻየዱ ሪፖርተራት ቢቢሲ ገሊፆም። ፖሊስ ከተማ ኣዲስኣበባ፡ እቲ ሎሚመዓልቲ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ዝተኻየደ ሰልፊ ብሰላም ከምዝተዛዘመ ኣፍሊጡ። ፖሊስ እታ ከተማ ኣብ ማሕበራዊ ገፁ፡ እቲ ሰልፊ ብሰላም ንክዛዘም፡ ነበርቲ እታ ከተማ ብትዕግስትን ናይ ምትሕብባርን መንፈስ ንኣካላት ፀጥታ ምድጋፎም ኣመስጊኑ። ወሃቢቃል ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ኣብ ዶብ ዓፋርን ኣምሓራን ብሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ተፈፂሙ ንዝበሎ \"መጥቃዕቲ\" ዓፀፋዊ ምላሽ ከምዘወሰደ ገሊፁ እዩ። ካብቲ ዝሓለፈ 18 ሰነ 2021 ሓይልታት ትግራይ ሓድሽ ወፍሪ ብምጅማር ንርእሰ ከተማ ትግራይ ከተማ መቐለ፣ ደቡባዊ ትግራይ ከተማታት ኣላማጣን ኮረምን ሓዊሱ ብዙሓት ከባብታት ካብ ዝቆጻጸሩ ንነዘ፡ እቲ ውግእ ኣብ ክልል ዓፋርን ገለ ከባብታት ክልል ኣምሓራን ይካየድ ከምዘሎ እዩ ዝግለፅ። በይንኣዊ ተኺሱ ደው ምባል ኣዊጁ ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ከምዝዋጋእ ዝገለፀ እንትኾን፡ ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ እውን ናብ ኲናት ትግራይ ሰራዊተን ልኢኸን እየን። ኣቦ ወንበር መሪሕ ውድብ ትግራይ ህወሓት: ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል: ኣብቲ ዝሓለፈ ሰኑይ ብመገዲ ድምፂ ወያነ ትግራይ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ \"ህዝቢ ትግራይ መሰሉ ንምኽበር እዩ ዝቃለስ ዘሎ\" ብምባል፡ ህዝቢ ኣምሓራን ካልኦት ኢትዮጵያውያንን፡ \"ኣብ ኩናት ትግራይ ንዳግማይ ጥፍኣት ኣይንተሓባበርን ኣይንሳተፍን\" ብምባል፡ ነቲ ብመንግስቲ ፌዴራል ዝቐረበሎም ፃውዒት ክነፅጉ ምሕታቱ ይዝከር። እቲ ከም ብሓድሽ ዝላባዕ ዘሎ ኵናት፡ ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ከየጋድዶን ነታ ሃገር ኣብ መዓሙቕ ቅልውላው ከየጥሕላ ተሰጊኡ'ሎ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57932549"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ከተማታት ኣውስትራልያ ብሰልፍታት ተቓውሞ ይሕመሳ ኣለዋ","content":"ነቲ ኣብታ ሃገር እናወሰኸ ከምዝኸይድ ዝዝረበሉ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ንምግታእ መንግስቲ እታ ሃገር ሓደሽቲ እገዳታት ዝኣወጀ እንትኾን፡ ዓበይቲ ከተማታት ኣንጻር እዚ ስጉምቲ ሓያል ተቓውሞታት የተኣናግዳ ኣለዋ። ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ተቓውሞ ኣብ ጎደናታት ከተማ ሲድኒ ወጺኦም ተቓውሞኦም የስምዑ ኣለዉ፤ ኣብ ከተማታት ሜልቦርንን ብሪስቤንን ድማ፡ ቁጽሮም ውሑድ ዝበለ ሰልፈኛታት ዝተርአይሉ ተቓውሞታት ተኻይዱ። እቶም ኣብ ጎደናታት ሲድኒ ንተቓውሞ ዝወጽኡ ሰልፈኛታት 'ናጽነት' እናበሉ ክጭርሑ ተርእዮም። ፖሊስ፡ ኣስታት 57 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ገሊጹ። እቲ ለበዳ ከም ብሓድሽ ዝስፋሕፋሕ ዘሎ ኾይኑ፡ መንግስቲ ኣውስትራልያ ቅድም ክብል ተግቢርዎም ዝነበሩ እገዳታት መሊሱ ብብርኪ ሃገር ኣዊጁ ይርከብ። እታ ሃገር ቅድም ክትብል ዶባት ብምዕጻውን፣ ውሸባን ዕጽዋን ብምእዋጃ፡ ትሑት ቁጽሪ ዘለዎ ሰብ ጥራይ እዩ በቲ ሕማም ተለኺፉ ነይሩ። እንተኾነ፡ ብፍላይ ደልታ እናተብሃለ ዝጽዋዕ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ቀልጢፉ ይስፋሕፋሕ ከምዘሎ ይዝረብ። ኣብታ ሃገር፡ መጠን ክታበት ዝወሰደ ሰብ፡ 14 ሚኢታዊት ጥራይ እንትኾን፡ ምስ ካልኦት ምዕቡላት ሃገራት እንትነጻጸር፡ ኣዝዩ ዝተሓተ ከምዝኾነ እዩ ዝግለፅ። ቀዳም፡ ኣሽሓት ሰባት 'ሃይማርኬት' እናተብሃለ ብዝጽዋዕ ዓብዪ ዕዳጋ ኣቢሉ፡ ብማእኸል ከተማ ሲድኒ ዝሓለፈ ሽሾ ተቓውሞ ዓብይ እዩ። ሰብ መዚ፡ እቲ ከባቢ፡ ሓደ ካብቶም ሰፊሕ ለበዳ ዝተረእየሎም ምዃኑ ሃገራዊ ቴሌቪዥን [ኤቢሲ] ጸብጺቡ። ገለ ካብቶም ሰልፈኛታት 'መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ደርቢኹም፤ ድምጽኺም ኣስምዑ' ዝብሉ ፖስተራት ዝሓዙ ኮይኖም፤ ካልኦት ድማ 'ኣውስትራልያ ንቕሒ' ዝብል ጭርሖ ኣስሚዖም ተባሂሉ። እቶም ሰልፈኛታት ኣውራ ጎደናታት ዝዓጸዉ ኾይኖም፡ ኣብ ከባቢ ኣዳራሽ እታ ከተማ ተኣኪቦም ተቓውኦሞኦም ኣስሚዖም። ገለ ኣባላት እቲ ሰልፊ ድማ፡ ናብ ፖሊስ ጠርሙስ ደርብዮም። ካብ ሓይልታት ጸጥታ'ታ ግዝኣት ዝተውሃበ መግለጺ፡ \" ፖሊስ መሰል ናጽነት ምዝራብን ምእካብን ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ይርዳእን የኽብርን እዩ፤ እንተኾነ እቲ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ሰልፊ ተቓውሞ ነቲ ብመንግስቲ ዝወጽአ መምርሒ ኮቪድ ዝጥሕስ እዩ\" ይብል። ዳርጋ ፍርቂ በዝሒ ህዝቢ ኣውስትራልያ ዝኾን፡ 13 ሚልዮን ዜጋታት፡ ሕዚ ኣብ ዕጽዋ ኣትዩ ኣሎ። ከተማ ሲድኒ'ውን፡ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ሰሙናት ካብተን ዕጽዋ ዝተኣወጀን ሓንቲ እያ። እንተኾነ፡ ኣብታ ከተማ፡ ሕዚ'ውን መጠን መልከፍቲ ኣዝዩ ወሲኹ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ። ሰብ መዚ፡ ኣብ'ዚ ዕለተ ቀዳም ጥራይ 163 ሓደሽቲ መልከፍቲታት ዝተመዝገበ ኾይኑ፡ ኣብታ ከተማ መዓልታዊ ዝለዓለ እዩ ተባሂሉ። ሓላፊ ቢሮ ጥዕና እታ ግዝኣት፡ እቲ ብቐዳማይ ሚነሲተር ግላዲስ በረጂክሊን፡ ካልኦት ግዝኣታት ናብዛ ግዝኣት ተወሳኺ ክታበታት ክልእኹ ዝብል መልእኽቲ ወሲኹ ሓቢሩ። \"ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ እቲ ጸገም እንተተጋዲዱ፡ ብብርኪ ሃገር ንዝኸፍአ ሓደጋ ዘሳጥሕ እዩ\" ኢሉ እቲ ሓላፊ። \"እዛ ግዝኣት፡ ንመላእ ሃገር ኣውስትራልያ መእተዊ ደገኣፍ ማለት እያ\"። ካብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ዝተረኸበ መረዳእታ ከምዘመላኽቶ፡ ኣውስትራልያ 32 594 መልከፍትን 916 ሞትን ኣመዝጊባ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57953973"} {"headline":"ቀዳማይ ሚኒስትር ኢስዋቲኒ፡ \"ንጉስና ንተቓውሞታት ፈሪሑ ኣይሃደመን\" ኢሉ","content":"ቀዳማይ ሚኒስትር ናይታ ስዋዚላንድ ተባሂላ እትጽዋዕ ዝነበረት ኢስዋቲኒ፡ ንጉስ ምስዋቲ ሳልሳይ ካብታ ሃገር ወጺኡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተሰዲዱ ዝብል ጸብጻባት ነጺጉ። ትማሊ ኣብታ ሃገር ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ጸጥታን ሕገ መንግስታዊ ምምሕያሽ ዝጠልቡ ሰልፈኛታትን ድሕሪ ዘጋጠመ ግጭት እቲ ንጉስ ሃዲሙ ከም ዝወጽአ ክግለጽ ጸኒሑ። እቶም ደገፍቲ ዴሞክራሲ ዝኾኑ ሰልፈኛታት ኣብ ልዕሊ ህንጻታት መንግስቲ፣ ድኳናትን ዓበይቲ መካይንን ኮይኖም ተቓውምኦም ክገልጹ ቐጺሎም። እዚ ብኣዋጅ ዝመርሕ ወዲ 53 ዓመት ንጉስ ቅድሚ 35 ዓመት'ዩ ንግስና ተቐቢሉ። ነቐፍቱን 15 ኣንስቱን ንተቓወምቱ ብምፍርራሕን ኣዝዩ ዝተመቸወ ህይወት ብምንባርን ይነቕፉዎ። ብሰኑይ ምሸት ካብታ ካብ ኒውጀርሲ'ውን ዝነኣሰት ባሕሪ በሪ ዘይብላ ንኡሽቶ ሃገር ብናይ ውልቁ ነፋሪት ከም ዝወጽአ ይግለጽ። ግዝያዊ ቀዳማይ ሚኒስትር ቴምባ ማሱኩ፡ ግን እዞም ጸብጻባት ሓሶት'ዮም ኢሉ። \"ኣብ ሚዲያ ዝዛውር ዘሎ ናይ ሐሶት ጸብጻብ እዩ፤ ንህዝቢ ኢስዋቲኒን ማሕበሰረብ ዓለምን፡ ግርማዊ ንጉስ ምስዋቲ ሳልሳይ፡ ኣብ ሃገሩ ከም ዘሎን ሸቶታት እቲ ንግስነት ንምዕዋት ምስ መንግስቲ ልሙድ ስርሑ ይሰርሕ ከም ዘሎን ከረጋግጸልኩም ይፈቱ\" ክብል ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ። ኣብታ ሃገር ዝሕተም ናይ ውልቂ ጋዜጣ ስዋዚ ግን ኣብታ ዝለዓለ ተቓውሞ ዘአንገደት ኢንዳስትሪያላዊት ከተማ ማትሳፓ ብዝተላዕለ ዘይምርግጋእ ኣባይቲ ከም ዝተቓጸሉ ዘርእዩ ቪድዮን ምስልን ይጥቅዕ ነይሩ። እቲ ጸገም ኣብ ወርሒ ግንቦት'ዩ ዝጅምር። ካብታ ከተማ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ናይ ሓደ ተመሃራይ ሕጊ ኣስክሬን ተረኺቡ። ፖሊስ እቲ ግዳይ ብሓደጋ መኪና'ዩ ሞይቱ ክብል እንከሎ፡ ተመሃሮ ግን ፖሊስ ኣብ ሞት እቲ ውልቀሰብ ኢድ ኣለዎ ብምባል ይኸሱ። በዚ ምኽንያት ተቓውሞ ተወሊዑ። እዚ #ፍትሒንትሃባኒ ብዝብል ጎስጓስ ዝጀመረ ተቓውሞ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጭካነ ፖሊስ ከብቅዕን ፖለቲካዊ ዕረያታት ክግበሩን ክጽውዕ ጀሚሩ። መንግስቲ ነዞም ተቓወምቲ ምስ ኸልከሎም ግን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ነገራት ካልእ መልክዕ ክትሕዙ ጀሚሮም። እቶም ሰልፈኛታት ንጉስ ምስዋቲ ዴሞክራሲያዊ ዕረያ ንክገብር ዝሓቱ ባነራት ሒዞም ተቓውምኦም ከስምዑ ቐጺሎም። መራሒ ሰልፊ ተቓውሞ ምሉንጊሲ ማክሃንያ መናእሰይ ፖለቲካዊ ናጽነትን ዕድላት ስራሕን እዮም ዝደልዩ ይብል። ካልእ ቑልፊ ጠለቦም ድማ፡ ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምኻድ ሰሪሖም ናብ ዓዲ ብዝልእኹዎ ገዘንብ እቲ ንጉሳዊ ስድራ ዝገብሮ ልዑል ወጻኢታት ጠጠው ከብል ይጠልቡ ኣለዉ። \"ዝበዝሕ ሃገራዊ ወጻኢታት ንሓደ ስድራቤት ጥራሕ ካብ ምቕላብ ንክናገፍ ልዕልነት እቲ ንጉሳዊ ስድራ ከብቅዕ'ዮም ዝደልዩ። ኣብ ዓለም ሙሉእ ስልጣን ሓንቲ ሃገር ኣብ ኢድ ሓደ ስድራ ጥራሕ ክጽንሕ'ውን ጥዕና ኣይኮነን\" ኢሉ እቲ መራሒ ተቓውሞ። ትሕተ ቕርጽን መሰረታዊ ኣገልግሎታትን እታ ሃገር ይዓንው ከም ዘለው ዝዛረብ ማክሃንያ፡ ስርዓት ጥዕና እታ ሃገር ነቲ ኣብታ ሃገረ ዘሎ ልዑል መጠን ዝርግሐ ኤችኣይቪ ኤይድስ ዝጻወር ከም ዘይኮነ ኣብሪሁ። ወሲኹ \"ህዝብና ኣምቡላንስ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ ጥራሕ ንበለል ይመውት ኣሎ፤ ናይዚ ምኽንያት ከኣ ጽቡቕ ጽርጊያ ስለ ዘይብልና'ዩ\" ኢሉ። ኤኤፍፒ ሎሚ ለይቲ ወተሃደራት ናብ ከተማ ማትሳፓ ተዋፊሮም ኢሉ። ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ምባባኔ ከቢድ ወጥሪ ከም ዘሎን ነበርቲ ካብታ ከተማ ከም ዝሃደሙ፣ ጻዕቒ ትራፊክን ነዋሕቲ ሪጋታት ኣለሻ ነዳድን ከም ዝተራእየ ሓደ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ገሊጹ። ካልእ ንሮይተርስ ርአይቶ ዝሃበ ነባሪ ድማ \"ተኩሲ ይሰምዕን መንብዒ ትኪ ይጨንወንን ኣሎ፤ ከመይ ኢለ ናብ ገዛይ ከም ዝበጽሕ ኣይፈልጥን። ኣገልግሎት መጓዓዝያ የለን፤ ብዙሓት ወተሃደራትን ፖሊስን ከኣ ኣለው\" ኢሉ። ብተወሳኺ ትካላት ንግድን ኣብያተ ትምህርትን ከም ዝተዓጸው ጸብጻባት ገሊጾም። ገለ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ከኣ ኣገልግሎት ስልኪ እታ ሃገር ከም ዝተዓጽወ ጽሒፎም። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ጎኒ እቶም ዴሞክራሲያዊ ለውጢ ዝሓቱ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ዝነበሩ ክልተ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክእሰሩ ትእዛዝ ወጺኡ ኣሎ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57632735"} {"headline":"ብህዝባዊ ናዕቢ ዝተናወጸት ኩባ ኣብ ልዕሊ መግብን መድሓኒትን ዝጸንሐ ቀረጽ ኣልዒላቶ","content":"መንግስቲ ኩባ ኣብታ ሃገር ንዝተወለዐ ሰፊሕ ህዝባዊ ናዕቢ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ካብ ደገ ዝኣትው መግቢ፣ መድሓኒትን ካልኦት ኣገደስቲ ነገራትን ዝኽፈል ዝነበረ ቀረጽ ንግዚኡ ክቋረጽ ገይሩ። ስለዝኾነ ካብ ዝመጽአ ሰኑይ ጀሚሩ ክሳብ መዛዘሚ 2021 ተጓዓዝቲ ናብታ ሃገር ሒዞምዎ ዝመጽኡ ከም መግቢ ዝበለ ሸቐጣት ዝኾነ ገደብ ኣይክግበረሉን። ብሕጽረት መግብን መድሓኒትን፣ ናህሪ ዋጋ ሸቐጣት ከምኡ’ውን መንግስቲ ለበዳ ኮሮናቫይሰ ንምቁጽጻር ዝወሰዶም ስጉምትታት ዘየዕገቦም ኣሽሓት ዜጋታት ኩባ ብሰንበት ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ተቓውሞ ኣስሚዖም ነይሮም። ሓደ ካብ ጠለባቶም ድማ ሰባት ቀረባት ሒዞም ናብታ ሃገር ክኣትዉ ከለዉ ቀረጽ ክኸፍሉ የብሎምን ዝብል’ዩ። ነቲ ብሰንበት ዝጀመረ ህዝባዊ ናዕቢ ስዒቡ ብዙሓት ኣብ ቀይዲ ክኣትዉ ከለዉ ሓደ ሰብ ከምዝሞተ ከኣ ሰበስልጣን ኣረጋጊጾም። ኣብታ ሃገር ፍቓድ ዘይረኸበ ሰልፊ ተቓውሞ ምክያድ ከምዘይሕጋዊ ተግባር ዝቑጸር ኮይኑ ኣንጻር መንግስቲ ዝካየዱ ተቓውሞታት ኣይተለመዱን። ቀዳማይ ሚንስትር እታ ሃገር ማኑኤል ማሪዮ ክሩዝ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ብምቕራብ መንግስቱ ንዝገበሮ ለውጢ ኣፍሊጡ’ሎ። “ካብ ተጓዓዝቲ ዝቐርብ ዝነበረ ሕቶ ስለዝኾነ ነቲ ውሳነ ምውሳድ ከኣ ኣገዳሲ ነይሩ” ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚንስትር፤ መንግስቲ ካብ መዛዘሚ ወርሒ ጀሚሩ “ንነገራት ከምዝምርምር” ሓቢሩ። ቅድሚ እቲ ናይ ሎሚ ውሳነ ናብ ኩባ ዝመጽኡ ገያሾ ክሳብ 10 ኪሎ ግራም ዝምዘን መድሓኒት ጥራሕ ካብ ቀረጽ ነጻ ከእትዉ ይፍቀደሎም ነይሩ። ብዘይካ’ዚ ኣብ መግብን ውልቃዊ ጽርየት መሕለዊ ሸቐጣትን እውን ቀረጽ ክኸፍሉ ክግደዱ ጸኒሖም። እቲ ሕዚ ዝተወሰነ ውሳነ ክሳብ ክንደይ ለውጢ የምጽእ ዝብል ግን ዝፍለጥ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ኩባ ዝገብሩ ሰባት ውሑዳት’ዮም። ንመንግስቲ ብምንቃፍ ዝፍለጥ ጋዜጠኛ ዮኣኒ ሳንቼዝ “ንሕና ናጽነት እምበር ከምዚ ዝበለ ሽርፍራፍ ነገራት ኣይኮንናን ንደልይ” ክብል ኣብ ትዊተር ተቓውምኡ ገሊጹ። ወሲኹ ድማ “ኣብ ሻንጣ መሊእኻ ንዝመጽእ ነገር ብዝብል ኣይኮነን ደም ኩባውያን ኣብ ጎደናታት ዝፈሰሰ” ክብል ጽሒፉ’ሎ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57846048"} {"headline":"“በዓል ጃዋር ይፈትሑ” ብምባሉ ዝተኣስረ ተመራቒ ተምሃራይ ተፈቲሑ","content":"ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጅማ፡ ኣብ ስነ ስርዓት ምረቓ ተምሃሮ፡ \"በዓል ጃዋር መሓመድን ካልኦት እሱራት ፖለቲካን ይፈትሑ\" ብዝብል ብዘመሓላለፎ መልእኽቲ ንኣዋርሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሐ መሓመድ ዴክሲሶ ትማሊ ብኣቆጻጽራ ግእዝ 3 ሐምለ 2013 ዓ.ም ተፈቲሑ። መሓመድ፡ ኣብ ‘ኣዋሽ መልካሳ ምርባሕ ደርሁ’ ንልዕሊ ሓደ ወርሒን ፈረቓን ከምዝጸንሐ፡ ቅድሚ ትማሊ ጀሚሩ ግና ንዕኡ ሓዊሱ፡ ብዙሓት እንተተፈትሑ’ኳ፡ ሕዚ’ውን ካልኦት ኣብቲ ቦታ ተኣሲሮም ከምዝርከቡ ተዛሪቡ። ብዕለት 6 ለካቲት 2013 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ምርቓት ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ጅማ፡ “ፍትሒ ንሃጫሉ ሁንዴሳ፤ እሱራት ፖለቲካ ኦሮሞ ይፈትሑ፤ ጃዋር መሓመድ ይፈታሕ” ዝብል መልእኽቲ ዓው ኢሉ ብምዝራቡ እዩ ዝተኣስረ። መሓመድ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ሓጺር ጻንሒት፡ እሱር ኮይኑ ኣብ ዝጸንሐሎም ሓሙሽተ ኣዋርሕ፡ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሽድሽተ ኣብያተ ማእሰርቲ ከምዝረአየ ገሊጹ። ንሱ፡ ካብ መንጎኦም እቶም ክልተ ጥራይ ሕጋዊ ቤት ማእሰርቲ ከምዝኾኑ፡ “እቶም ዝተረፉ ግና፡ ዘይሕጋዊ መሳቐዪ ማእከላት” ከምዝኾኑ ተዛሪቡ። ትማሊ ንጎሆ ተፈቲሑ ምስ ኣባላት ስድርኡ ከምዝተራኸበ ዝዛረብ መሓመድ፡ ሕዚ’ውን ኣብቲ ንሱ ዝነበረሉ ማእከል ‘ምርባሕ ደርሁ’ ብዙሓት እሱራት ከምዘለዉ ተዛሪቡ። “እቶም መዓልታት ዳርጋ ዓመታት ኮይኖምኒ፤ ክንደይ ከምዝኾኑ ኣይቆጸርክዎምን፥ ግን ልዕሊ ሓደ ወርሒ ይኸውን” ክብል ኣብቲ ማእከል ዝነበሮ ጻንሒት ይዛርበ። ኣብ እዋን ማእሰርቲ እንታይ ከምዘጋጠሞ ካብ ምዝራብ እንተተቖጠበ’ኳ፡ እቶም ካልኦት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝገጠሞም ንላዕሊ ኣይኮነን ይብል። “ኣብ መራብሒ ደርሆ ተኣሲርካ ማለት እንታይ ማለት ከምዝኾነ ግልጺ እዩ፤ ግቡእ ኣተሓሕዛ ኣይኮነን” ኢሉ። መሓመድ፡ በቲ ኣብ እዋን እቲ ምርቓት ዝተዛረቦ ከምዘይናሳሕ ይዛረብ። “ዝኾነ ሰብ ክግንዘቦ ዘለዎ ነገር እንተሎ፡ እቲ ዘልዐልክዎ ሕቶ፡ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ስለዝኾነ ዘሻቕለኒ ወይ ድማ ዘናሰሐኒ ነገር ኣይገበርኩን” ኢሉ። እቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳን ፕረዚደንት ጠቕላላ ቤት ፍርዲ ፌዴራል፡ ወይዘሮ መዓዛ አሸናፊን ሓዊሱ ብዙሓት ሰብ ሰልጣን መንግስቲ ዝተዓደምሉ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። መሓመድ፡ ካብቲ ዝደርፍ ዝነበረ ሰብ [ሙሉጌታ ሺቴ] መጉልያ ተቐቢሉ እዩ ነቲ መልእኽቱ ኣሕሊፉ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፡ ብ18 ለካቲት 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ብዘውጸኦ መግለጺ፡ መሓመድ ካብ ለካቲት 6፤ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ከተማ ጅማ ዝርከብ ፖሊስ ጣብያ ተኣሲሩ ዝጸንሐ፡ ሓደ ቤት ፍርዲ ወረዳ’ታ ከተማ ብዋሕስ ክስደድ ዘሕለፎ ውሳነ ብምጥሐሽ ከምዝኾነ ገሊጹ ነይሩ። ንዕኡ ሓዊሱ፡ ብቤት ፍርዲ ብዋሕስ ክፍትሑ ተወሲኑሎም፡ ግና ዛጊድ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ እሱራት ብቕልጡፍ ክፍትሑ ሓቲቱ ነይሩ። መሓመድ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተሎ፡ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝርከቡ ፖሊስ ብጽፊዒት ወቒዖም ናብ ኣብ’ቲ ቀጽሪ ዝርከብ ካምፕ ከምዝወሰድዎን፡ ድሕሪ ንእሽቶ ጻንሒት ድማ ካብቲ ከባቢ ኣውጺኦም ክልተ እግሩ ብበትሪ ከምዝቐጥቀጥዎን ከምኡ’ውን ኣብ ጎኑ ከምዝሃረምዎ ነቲ ኮሚሽን ተዛሪቡ ነይሩ። ርግጽ ኣብቲ ስሩዕ መደበር ፖሊስ ምስ ኣተወ፡ ከምኡ ዓይነት መህረምቲ ከምዘይበጽሖ እዩ ዝዛረብ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፡ ነቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝረእየሉ እዋን፡ ኣብ እግሪ መሓመድ ጉድኣት ከምዝረእየ፤ ይሕንክሶ ከምዝነበረን፡ ክሕከም ከምዝሓተተሉን፡ እንተኾነ ክሳብረ 17 ለካቲት 2013 ዓ.ም. ሕክምና ከምዘይተገብረሉ ገሊጹ ነይሩ። እቲ ኮሚሽን ወሲኹ፡ ካብ መጀመርትኡ’ውን፡ መሓመድ ኣብ’ቲ ስነ ስርዓት ምርቓት ከምኡ ምግባሩ፡ ከውቅሶን ከንቅፎን ይኽእል ይኸውን’ምበር ብገበን ዘኽስስን ዘእስርን ምኽንያት ኣይነበረን” ዝብል ኣብ መግለጺኡ ከምዝስፈረ ይፍለጥ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57796188"} {"headline":"ኣብ ኢራን ሕጽረት ማይ ብዘስዓቦ ተቛውሞ ሓደ ሰብ ሞይቱ","content":"ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኢራን ሕጽረት ማይ ዘስዓቦ ናይ ህዝቢ ተቋውሞ ካልኣይ መዓልቱ ዝሓዘ ኮይኑ ሓደ ሰብ ከምዝተቐተለ ዘቤታውያን ማዕኸናት ዜና ኣቃሊሖም። ሰበ ስልጣን ወረዳ ኩዘስታን እቲ ዝሞተ ወዲ ናብ ኣየር ይትኩሱ ብዝነበሩ ሰባት ሃንደበት ተወቒዑ ከምዝሞተ መንግስታዊ ሚድያ ጸብጺቡ። ተቋወምቲ መንግስቲ ምንጭታት ግና እቲ ሰብ ብናይ መንግስቲ ሓይልታት ጸጥታ ተወቒኡ ከምዝሞተ እዮም ዝገልጹ። ኢራን ብኣዝዩ ከቢድ ድርቂ ዝተጠቕዐት ኮይና ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብታ ሃገር ጸገማት ሕጽረት ማይን ሓይሊ ኤሌክትሪክን የጋጥም ስለዘሎ ህዝባዊ ቁጥዐ ይሕይል ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ። እቲ ቅትለት ኣብ ከተማ ሻደጋን ከምዘጋጠመን ኣሳእል ናይቲ ዝሞተ ወዲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብሰፊሑ ተራእዩ። “ኣብቲ ምትእኽኻብ እቶም ተቛወምቲ ሰባት ንሰባት ከለዓዕሉ ኢሎም ናብ ሰማይ ይትኩሱ ነይሮም፣ ድሓረ ሃንደበት ሓንቲ ጥይት ካብቶም ኣብኡ ንዝነበሩ ሰባት ቀቲላ” ክብል ግዝያዊ ኣማሓዳሪ ኦሚድ ሳብሪፖር ገሊጹ። እቲ ዝሞተ ወዲ ካብቶም ውሑዳን ጉጅለ ብሄረ ዓረብ ኣብ ጥቓ ዶብ ዒራቕ ዝቕመጡ ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ። ኣብ ወጻኢ ዝንቀሳቐስ ውዳበ ተቓዋሚ መንግስቲ ኢራን ግን እቲ ሰብ ካብ ናይ መንግስቲ ሓይልታት ጸጥታ ብዝተተኮሰ ጥይት ተሃሪሙ ከምዝሞተ ይገልጽ። ሰበ ስልጣናት ኢራን ነቲ ብነዳዲ ኣብ ዝበልጸገ ከባቢ ዝካየድ ዘሎ ህዝበዘዊ ተቛውሞታት ኣዘሓሒሎምዎ። ተቓወምቲ መንግስቲ ተቛውምኦም ጎማታት ብምቅጻልን መንገድታት ብምዕጻውን ከምዝገለጹ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዘዋወሩ ዘለዉ ቪድዮታት የርእዩ። መንግስቲ ኢራን ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ሕቶ ናይቶም ተቛወምቲ ዝፈትሕ ሓደ ልኡኽ ናብቲ ከባቢ ሊኢኹ ከምዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ እቲ ናይ ማይ ቀረብ ጸገም ንስራሕቲ ሕርሻን ምርባሕ እንስሳን ሃሲይዎን ድሓረ ድማ ክሳብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምቁራጽ ኣስዒቡ’ሎ። ሰብ ስልጣን መንግስቲ እታ ሃገር እቲ ጸገም ብሰንኪ ዋሕዲ መጠን ዝናብ ከምዝኾነ ብምጥቃስ መብዛሕቲኦም መደብራት ኤልክትሪክ ይሰርሑ ከምዘየለዉን ሰባት ዋዒ ንምክልኻል ኢሎም ‘ኤር ኮንድሽነር’ ስለዝጥቀሙ እዩ ተኸሲቱ ዝብል መግለጺ ሂቦም። እንተኾነ ግን ብዙሓት ነበርቲ እቲ ጸገም ብሰንኪ ዘይእንዱብ ምሕደራን ግዕዝይናን ከምዝተኸሰተ እዮም ዝዛረቡ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57879217"} {"headline":"ኣመሪካዊ ጥርጡር ናዕቢ 'ካፒቶል' ካብ ኬንያ ምስ ተጠረዘ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ","content":"ኣብ'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣብ ህንጻ ባይቶ ኣመሪካ [ካፒቶል] ዝተኸስተ ናዕቢ ብምስታፍ ዝተጠርጠረ ኣመሪካዊ፡ ካብ ኬንያ ምስ ተጠረዘ፡ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ: ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ። ወዲ 32 ኢሳቅ ስቶርጆን፡ ኣብ ግዝኣት ሞንታና ነባሪ ከተማ ዲሎን ኮይኑ፡ ኣብ 'ቲ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰናብቲ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ጀይ-ኤፍ-ከይ እዩ ፈደራላዊ ትካል መርመራ (ኤፍ-ቢኣ-ይ) ኣብ ቀይዲ ኣእትዩዎ። እቲ ጥርጡር ሸውዓተ ዝተፈላለዩ ክሲታት ዝተመስረቶ ኾይኑ፡ ዝሃሲ ነገራት ናብ ኣባላተ ፖሊስ ምድርባይ ይርከቦ። እንተኾነ፡ ትማሊ ሰኑይ፡ 250 ሽሕ ዶላር [ቦንድ] ብምኽፋል ብዋሕስ ካብ ቀይዲ ወጺኡ ኣሎ። እቲ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝርከብ ህንጻ ባይቶ ኣመሪካ ዘዕለቕለቐ ናዕቢ፡ ብ6 ጥሪ ዝተፈጸመ ኾይኑ፡ ብደገፍቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዝተወደበ ምዃኑ ዝዝከር እዩ። እቲ መጥቃዕቲ ንፖሊስ ሓዊሱ ህይወት ሓሙሽተ ሰባት ክሓልፍ ምኽንያት እንትኸውን፡ ንዓንድታት ዲሞክራሲ ኣመሪካ ዘነቓነቐ ፍጻመ ኮይኑ'ውን ሓሊፉ። ብዛዕባ እቲ ጥርጡር እንታይ ንፈልጥ? ትማሊ ሰኑይ ኣብ መጋባእያ ኒውዮርክ ዝቐረበ እቲ ጥርጡር፡ ካብ ጥሪ 24 ጀሚሩ ኣብ ኬንያ ጸኒሑ። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ድማ ናብ ኣመሪካ ክምለስ ትልሚ ከምዝነበሮ ካብ ቤት ፍርዲ ዝተረኽቡ ሰነዳት የመላኽቱ። እንተኾነ፡ ኤፍቢኣይ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ምስ ኣውጸአ፡ መንግስቲ ኬንያ፡ ንሚስተር ስተርጎን ናብ ሃገሩ ጠሪዝዎ። እቲ ጥርጡር ናብ ኬንያ ቅድሚ ምምርሑ፡ ንገለ ሰባት 'ይድለ ድየ' ዝብል መልእኽቲ ጽሒፉ ከምዝነበረ፡ ዋሺንግንተን ፖስት ንዓቀብቲ ሕጊ ብምጥቃስ ጸቢጺቡ። እቶም ዓቀብቲ ሕቲ፡ እቲ ውልቀሰብ ንድሕንነት በረራ'ውን ስግኣት ከምዝኾነ እዮም ዝምጉቱ። እቲ ውልቀሰብ ናብ ሃገረ ኬንያ ዝገሸ ከምቲ ልሙድ ደጋጊሙ ዝኸዶ ደኣምበር ከምልጥ ሃቂኑ ከምዘይኮነ ንቤት ፍርዲ ምዝራቡ እቲ ጋዜጣ ወሲኹ ሓቢሩ። እቶም ዓቃብቲ ሕጊ ከምዝብልዎ፡ እቲ ውልቀሰብ ኣብቲ ናዕቢ እንትሳተፍ ብናይ ፖሊስ ካሜራ ዝተቐርጸ ምስሊ ይረአ። እዚ ኣትክልቲ ገዛ ብምክንኻን ዝናበር ውልቀሰብ፡ በቲ ዝተመስረቶ ክሲ ገበነኛ ኮይኑ እንድሕር ተረኺቡ፡ ክሳብ 20 ዓመት ማእሰርቲ ክቕጻዕ ይኽእል እዩ ተባሂሉ። ምስቲ ኣብ 6 ጥሪ ዝተፈጸመ ናዕቢ ብዝዛመድ፡ ልዕሊ 300 ሰባት ክሲ ተምስሪትዎም ከምዘሎ ኒውዮርክ ፖስት ዝተባህለ ጋዜጣ ጸብጺቡ። ካብ መንጎኦም፡ ገለ ኣባላት ዕጡቓት ሕሉፋት-የማናውያን፣ ከምኡ'ውን ኣባላት 'ኦዝ ኪፐርስ'ን 'ስሪ ፕርሰንተርስ' ብዝብል ዝፍለጡ ጉጅለታት ይርከብዎም። እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ [ሓገግቲ]፡ ንተወዳዳሪ ሰልፊ ሪፐብሊከን፡ ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ፡ ብምስዓር ንዝተዓወተ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣፍልጦ ክህቡ፡ ኣብ ዝተኣከብሉ እዋን እዩ ተኻይዱ። ባይቶ ኣመሪካ፡ ነቲ ስልጣኑ ዘረከበ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ናዕቢ ኣተባቢዑ ብዝብል ክሲ ተሓታቲ ምዃኑ ምውሳኑ ይዝከር። ይኹን እምበር ላዕለዋይ ባይቶ (ሰነት) ትራምፕ በቲ ክሲ ከምዘይሕተት ናይ መወዳእታ ውሳነ ኣሕሊፉ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56321199"} {"headline":"ሓላፊ ሰራዊት ናይጀርያ 'ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ጥይት ኣይቶኮስናን' ኢሉ","content":"ሓላፊ ሰራዊት ናይጀርያ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝነበረ ህዝባዊ ተቃውሞታት፡ ወተሃደራቱ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ጥይት ከምዘይተኮሱ ገሊጹ። ብርጋደር ጀነራል ኣሕመድ ታዋ ነቶም ነቲ ክሲ ከጻርዩ ዝተመዘዙ ኮሚተ ንዝተቐደሐ ቪድዮ ከም መርትዖ ኣቕሪብሎም። ኣምኔሰቲ ኢንተርኛሽናል፡ ሰራዊት ናይጀርያ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ብፖሊስ ዝፍጸም ግፍዕታታትን ቅትለትን ንምቕዋም ሰለማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰባት ጥይት ብምትኳስ 12 ሰባት ከምዝቐተሉ’ዩ ዝግለጽ። ብዙሓት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር እውን፡ ወተሃደራት ናብ ሰብ ጥይት እናተኮሱ ከምዝርኣዩ ንቢቢሲ ሓቢሮም እዮም። 20 ጥቅምቲ ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ሰልፈኛታት ኣብ ለኪ ቶል ዝብሃል ቦታ ብምእካብ ተቃውሞኦም ንምግላጽ ነቲ ጽርግያ ዓጽዮምዎ። ወተሃደራት ቅድሚ ቶኵሲ ምጅማሮም ነቲ እቶም ሰልፈኛታት ዝነበርዎ ቦታ ብመከላኸሊ ከምዝሓጸርዎ እዮም እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዝሕበሩ። እቲ ሰለማዊ ሰልፊ እናተኻየደ እንከሎ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብቐጥታ ይመሓላለፍ ስለዝነበረ ኣብቲ ተንቀሳቃሲ ምስሊ እቶም ሰልፈኛታት ኮፍ ኢሎም ሃገራዊ መዝሙር ናይጀርያ እናዘመሩ እንከለዉ ድምጺ ብረት ይስማዕ፡ ኣብ ገለ ስእልታት ድማ ብጥይት ዝተሃረሙ ሰባት ይርኣዩ እዮም። ናይጀርያውያን ብልሽውና ንኸጥፍእ ተባሂሉ ዝቖመ ሳርስ ዝተሰመየ ክፋል ፖሊስ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘይተኣደነ ግፍዕታት ይፍጽም ኣሎ ብምባል ዝጀመርዎ ሰለማዊ ሰልፊ፡ መንግስዊ ምምሕያሽ ክካየድ ናብ ዝብል ጠለብ ኣሰጋጊረምዎ። ብርጋደር ጀነራል ኣሕመድ ታዋ፡ ነቶም ብሳርስ ተፈጺሙ ዝብሃል ግፍዕታታትን ኣብ እዋን እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተፈጸመ ቅትለትን ንኸጻርዩ ዝተመዘዙ ኮሜተ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ “ብዙሕ ዝተዛበዐን ስኑዕን ሓበሬታት ኣሎ”ኢሉ። ሰራዊቱ ኩሉ ዝገበርዎ “ንዓና ንኹልና ንምክልኻል እዩ” ድሕሪ ምባል “ርኣዩ [ናብቲ ቪድዮ ኣናኣመልከተ]ናብ ሰማይ’ዮም ዝትኩሱ ዘለዉ፡ እቲ ብረት እውን ድምጺ’ምበር ዓረር የብሉን” ኢሉ። እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ዝሰኣልዎ ኣሳእል ሬሳታት ከምዝርኣዩን ካበይ ዝመጽኡ ምኳኖምን ኤኤፍፒ ኣብ ዝሓተተሉ፡ ብርጋደር ጀነራል ኣሕመድ ታዋ “እቲ ሞት ብስንባደ ዝሰዓበ እዩ” ኢሉ። ድሕሪ እቲ ብፖሊስ ተፈጺሙ ዝተባሃለ ቅትለት፡ እቶም ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ዝተሳተፉ ውልቀ ሰባት ካብ መንግስቲ ጸቅጥታት ይበጽሖም ከምዘሎ ጋዜጤኛ ቢቢሲ ማየኒ ጆንስ ካብ ናይጀርያ ሓቢራ። ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ካብ ዝተሳተፉ ብዙሓት ሰባት ናይ ውልቃውን ናይ ትካላቶም ናይ ባንኪ ሕሳብ ከምዝደስከለን ገለ’ውን ዝተኣሰሩ ከምዘለዉ እዩ ዝንገር። ነቶም ሰልፈናታት ሕጋዊ ሓገዛት ንምብርካት ዘወሃሃደት ጠበቃ፡ ካብ ናይጀርያ ክትወጽእ ኣብ ዝፈተነትሉ ፖስፖርታ ብመንግስቲ ከምዝተሓደገትን ክሳብ ሕጂ’ውን ከምዝይተመለሰላ ሓቢራ። ናይጀርያውያን ነቲ ሰብኣዊ መሰላት ይግህስ፡ ብዘይኣገባብ ሰባት ይኣስር፡ የሳቕን ይቐትልን እዩ ዝበልዎ ሳርስ ዝተሰመየ ክፋል ፖሊስ ንምቅዋም 8 ጥቅምቲ ወግዓዊ ሰለማዊ ሰልፊ ጀሚሮም። ነዚ ዝዒቡ ፕረዚደንትን መሓመዱ ቡሃሪ ነቲ ሳርስ ዝብሃል ክፋል ፖሊስ ከምዝፈርስ ገይሩ እንተኾነ ሰልፈኛታት ተወሳኺ ጽገናታት ናይ መንግስቲ ብምጥላብ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ዝቐጸልሉ 20 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰለማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰባት ብጥይት ናይ ወተሃደራት ከምዝተቐተሉ መርትዖ ከምዘለዎ ኣምኔስት ኢንተርናሽናል ገሊጹ። ኣምኔስት “ ሰራዊት ናይጀርያ ናብቶም ብሰለማዊ መንገዲ መንግስቲ ጽገናታት ክገብር ዝጥልቡ ዝነበሩ ኣሽሓት ሰባት ቶኩሲ ከፊተምሎም” ኢሉ። መንግስቲ ዞባ ሌጎስ ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ሓደ ሰብ ከምዝሞተን 30 ጉድኣት ከምዝወረዶምን እዩ ሓቢሩ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54949069"} {"headline":"‘ኣቦወንበር ኦነግ ዳውድ ኢብሳ ኣብ መንበሪ ቤቱ ብፖሊስ ተኸቢቡ’","content":"መንበሪ ቤት ኣቦመንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ) ዳውድ ኢብሳ ብፖሊስ ፌደራል ተኸቢቡ ምህላዉ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኦነግ ገዳ ኦልጅራ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። መንበሪ ቤት ዳውድ ኢብሳ ብዕጡቓት ተኸቢቡ ምህላዉ ዘረጋገጸ ኣይተ ገዳ ካብ ፖሊስ ግን ‘እቶም ዕጡቓት ውሕስነት ዳውድ ንምሕላው ዝተዋፈሩ እዮም’ ዝብል ከምዝሰምዐ ተዛሪቡ። እንተኾነ፡ ንሱ ነዚ ኣይኣምንን። ዳውድ ኢብሳ ካብ ገዝኡ ክወጽእ ከምዘይከኣለን፡ ናብ ደገ እንተወጺኡ ድማ ብዕጡቓት ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ከምዝኽእልን ኣይተ ገዳ ስግኣቱ ገሊጹ። ብተወሳኺ ድማ፡ ኣይተ ዳውድ ኢብሳ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ኣትዩ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ከምዝተፈትሐን ተዛሪቡ። “ኣቦመንበርና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ እዩ ዘሎ። ከም ልቡ ተንቀሳቒሱ ዕለታዊ ተግባራቱ ክፍጽም ኣይከኣለን” ብምባል ኣይተ ዳውድ ካብ ገዝኡ ክወጽእ ከምዘይከኣለ ገሊጹ’ሎ። ካብ ገዝኡ ከይወጽእ ተኸልኪሉ ዘሎ ግን ዳውድ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ’ቲ መንበሪ ዝርከቡ ኩሎም ኣባላት ስድራ ክወጽኡን ክኣትዉን ኣይከኣሉን ድማ ኢሉ። ኣይተ ገዳ ከምዝበሎ፡ ካብ ምእጋድ ምንቅስቓሳት ብተወሳኺ፡ ናይ ዳውድ ኢብሳ ቴሌፎን ካብ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ጀሚሩ ኣይሰርሕን ዘሎ። መንበሪ ቤት ዳውድ ኢብዳ ንምንታይ ከምዝተኸበበ ዝፈልጦ ነገር እንተልዩ ዝተሓተተ ኣይተ ገዳ፡ ፖሊስ ውሕስነት ኣይተ ዳውድ ንምሕላው እዩ ከምዝብል ገሊጹ። ይኹን’ምበር “ሰብ ከይኣቱን ከይወጽእን ምኽልካል ንውሕስነት ኣይመስልን” ኢሉ። “ቴሌፎን ዳውድ ስለዘይሰርሕ፡ ካብ ባዕሉ ተወሳኺ ሓበሬ ታክንረክብ ኣይከኣልናን” ብምባል ምርኻብ ከምዘጸገመሎም ተዛሪቡ። ቢቢሲ ናብ ቴሌፎን ኣይተ ዳውድ ኢብሳ ፈቲኑ፡ ኣይሰርሕን ዘሎ። ብዛዕባ’ዚ ንምሕታት ድማ ንውሃቢ ቃል ፖሊስ ፌደራል ጄይላን ኣብዲ ተወኪስናዮ፡ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ገሊጹልና።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53545357"} {"headline":"ፕረዚደንት ማሊ፡ ንቤት ፍርዲ ናይታ ሃገር ኣፍሪሱ","content":"ፕረዚደንት ማሊ ኢብራሂም ቡባካር ከይታ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ንምዝሕሓል፡ ንናይታ ሃገር ሕገ መንግስታዊ ቤት ፍርዲ ብዕሊ ከምዘፍረሰ ኣፍሊጡ። ኣብ'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝተኻየደ ተቓውሞ፡ ኣርባዕተ ሰባት ሞይቶም እዮም። እቲ ፕረዚደንት ከምዚ ዓይነት ተቓውሞታት ከምዘየተኣናግድ ተዛሪቡ እዩ። እቲ ሕገመንግስታዊ ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ምስ ዝተኻየደ መረጻ ብዝተሓሓዝ፡ ንነቐፌታ ተቓሊዑ እዩ ጸኒሑ። ፕረዚደንት ከይታ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ተደጋጋሚ ሕቶ ይቐርቦ ኣሎ። ተቓወምቱ ብፍላይ፡ ኣብ ኣታኣላልያ ምንቅስቓስ ጂሃዳውያን ሕጉሳት ኣይኮኑን። ከምኡ’ውን በቲ ቁጠባዊ ቅልውላውን ጉዳይ መረጻ ዝተወደአሉ ኩነታትን ነቲ ፕረዚደንት ኣዝዮም እዮም ዝነቕፉ። ብፍላይ እቲ ብፍሉጥ ኢማም ዝምራሕ ሓድሽ ናይ ተቓወምቲ ስምረት፡ ምስ'ቲ ፕረዚደንት ተበጺሑ ንዝነበረ ናይ ሓባር መንግስቲ ናይ ምቛም ሓሳብ ነጺጉዎ ኣሎ። ንምንታይ ቤት ፍርዲ ፈሪሱ? እቲ ፕረዚደንት ትማሊ እዩ ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቀሪቡ፡ ነቲ ቤት ፍርዲ ናይ ምፍራስ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ዘፍለጠ። ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገርን እቲ ፕረዚደንትን፡ ናይ ሓባር መንግስቲ ንምቛም ድልዋት ምዃኖም ኣፍሊጦም። “እቶም ዘለዉ ጸገማት ክፈትሕ ዝኽእል ግልጽነት ዝሰፈኖ መንግስቲ ከቑም እየ” ኢሉ እቲ ፕረዚደንት፤ ምስ ራድዮ ፈረንሳይ ኣብ ዘገበሮ ቃለ መሕትት። እንተኾነ፡ እቲ ፕረዚደንት ከምዚ ዝበለ፡ ነቲ ሰልፊ ዝመርሑ ዝነበሩ ተቓወምቲ ምስ ኣሰረ እዩ። ፕዚደንት ከይታ፡ ኣብ 2018 ንተወሰኽቲ ሓሙሸተ ዓመት ኣብ ስልጣን ከጽንሖ ዝኽለል ካልኣይ እብረ እንተኣረጋገጸ’ኳ፡ ተቓውሞታት ግን ቀጺሎም ኣለዉ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53381060"} {"headline":"ኣብ እስራኤል፡ ኣሸሓት ንሰልፊ ተቓውሞ ወጺኦም","content":"ርእሰ ከተማ እስራኤል ኣብ ዝኾነት ቴልኣቪቭ፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝበጽሖም ቁጠባዊ ማህሰይቲ ክፍተሐሎም ናይ ተቓውሞ ድምጺ ኣስሚዖም። እቶም ሰልፈኛታት፡ መንግስቲ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝኣወጆ ኣዋጅ ኣተኣላልያ እዮም ተቓዊሞም። ራቢን ኣብ ዝበሃል ኣደባባይ ፈሲሶም ዝርአዮ እዞም ሰልኛታት፡ ማስክ ገይሮም እንተተርአዩ’ኳ፡ ኣይተፈናተቱን ነይሮም ተባሂሉ። ብሰንኪ ኣዋጅ ኮሮናቫይረስ ንዝበጽሖም ማህሰይቲ ተባሂሉ ካብ መንግስቲ ክወሃቦም ዝግባእ ሓገዝ ገንዘብ ኣብ እዋኑ ከምዘይበጽሐ እዮም ዝገልጹ። መብዛሕተኦም እቶም ሰልፈኛታት፡ ብሰንኪ እቲ ለበዳ ብቐጥታ ቁጠባዊ ማህሰይቲ ዝበጽሖም እዮም። መንግስቲ ዝኣተወሎም ቃል ድማ ኣይተግበረን ይብሉ። ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ሓገዝ ከምዝረኸቡ እዩ ዝዝረብ። እንተኾነ፡ ኣናእሽቱ ወነንቲ ንግዳዊ ምንቅሰቓስ ግን ንሓደጋ ተሳጢሕና ይብሉ። ናይ ውልቁ ትካል ዝውንን ሚካኤል ካሲፍ “40 ሰራሕተኛታት ምሳይ ኣለዉ። ኣታዊ ዝበሃል የብለይን። ካበይ ኣምጺአ እየ ክኸፍሎም?” ኢሉ ንሮይተርስ። “ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚርና ስራሕ ዝበሃል የለን። ሕዚ ድማ ነሐሰ ይመጽእ ኣሎ። መንግስቲ ክኽሕሰና ኣለዎ።” ቀዳማይ ሚኒሰተር ቤናጃሚን ኔታንያሁ፡ ንገለ ነጠፍቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ረኺቡ ኣዛሪብዎም ነይሩ። “መንግስቲ እቲ ዝኽእሎ ክገብር እዩ” ክብል ድማ ቃል ኣትዩሎም ኣሎ። እስራኤል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚራ ጥቡቕ ዕጽዋ ዝኣወጀት ኾይና፡ ካብ መፋርቕ ወርሒ ጉንበት ጀሚራ ግን ቀስ ብቐስ እናፍኮሰቶ ከመዝመጽአት እዩ ዝዝረብ። እንተኾነ፡ ስራሕ ስእነት ብ21 ሚኢታዊ ከምዝወሰኸ ይዝረብ። ኣብ እስራኤል፡ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ይውስኽ እዩ ዘሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጥራይ፡ ሓደሽቲ 1500 በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ከምዝተረኸቡ ኣፍሊጣ እያ። ዛጊድ ድማ፡ ልዕሊ 354 ሰባት በቲ ቫይረስ ሞይቶም እዮም።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53379613"} {"headline":"ኣብ ወላይታ፡ 'ሓይልታት ጸጥታ ዘይመጣጠን ስጉምቲ ተጠቒሞም' ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት","content":"ኣብ ገለ ከተማታት ዞባ ወላይታ፡ ብ14 ነሓሰ 2012 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ዝወስደ ስጉምቲ ሓይሊ ዘይተመጣጠነ ከምዝኾነ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ ኮሚሽን፡ 'ሓይልታት ጸጥታ ዘይመጣጠን ሓይሊ ካብ ምጥቃም ክቑጠቡ ይግባእ' ብዝብል ሎሚ ኣማስዩ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ከምዝሓበሮ፡ መንግስቲ፡ እቲ ዕግርግር ገለ ሰባት ብዝወደብዎ ውዲት ከምዝተልዓለ እንተገለጸ'ኳ፡ እቲ ናዕቢ ገለ ሓለፍቲ እቲ ዞባ ብሓይልታት ጸጥታ ምእሳሮም ስዒቡ ምዃኑ ከምዘረጋገጸ ኣፍሊጡ። ሰልፈኛታት፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ካልኦት ከተማታትን እቲ ዞባ ናብ ጎደናታት ወጺኦም ተቓውሞ ኣስሚዖም። ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ኣብ ርአሰ ከተማ እቲ ዞባ፡ ሰዶ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ቦዲቲ ድማ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣፍሊጡ። ቢቢሲ ብሓፈሻ፡ በነቲ ዕግርግር ስዒቡ ብውሕዱ 10 ሰባት ከምዝተቐትሉ ምጽብጻቡ ዝዝከር እዩ። ብሓፈሻ ትማሊ ሰኑይ፡ 178 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉን፡ ካብኣቶም እቶም 28 ናይቲ ዞባ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምዃኖምን እቲ መግለጺ ኣብሪሁ። ወሃቢ ቃል፡ ኮሚሽን፡ ኣቶ ኣሮን ማሾ ከምዝበሎ፡ \" ሓይልታት ጸጥታ ነቶም ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ዝቆጻጸርሉ እዋን፡ ንሞት ዘቃልዕ ዘይግቡእ ሓይሊ ካብ ምጥቃም ክቑጠቡ ይግባእ\" ምስበለ፡ ከምዚ ዓይነታት ስጉምቲታት ነቲ ጸገም ከምዘጋድድዎ ተዛሪቡ። ኣቶ ኣሮን ወሲኹ ድማ፡ ብፍላይ ናይቶም 6 ሰባት ኣማውታ ብቕልጡ ክጻረ ከምዝግባእ ኣፍሊጡ። ከምኡ'ውን እቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ፡ ብሕጊ መሰረት ኣብ እዋኑ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡን ሚሉእ መሰሎም ክሕለን እቲ ከሞሽን ሓቲቱ። ነቲ ሕቶ ካብ ስር መሰረቱ ንምምላስ፡ መንግስታት ፌዴራል ኮነ ክልል፡ ሰላማዊ ፍታሕ ክጥቀሙ ከምዝግባእ'ውን እቲ ኮሚሽን ወሲኹ ሓቲቱ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53740159"} {"headline":"ኣብ ካፒቶል፡ ናዕቢ ብምልዕዓል ዝተኸሰ ብሕብረ-ቀለማት ዝተመላኸዐ ጄክ ኣንጄሊ","content":"ፍሉጥ ተኸታሊ፡ ቓኖን ዝተበሃለ ‘መሰረት ዘይብሉ ናይ ተንኮል ጽንሰ-ሓሳብ’ ፡ ቃኖን ሻማን፡ ብዝብል እዩ በሰፊሑ ዝፍለጥ። እቲ መንእሰይ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ካፒቶል [ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ\/ኮንግረስ ኣመሪካ ዝርከበሉ ህንጻ] ዝተልዓለ ኣዕናዊ ናዕቢ ተሓተቲ ኾይኑ ኣሎ። ሓቀኛ ስሙ፡ ያቆብ ኣንቶኒ ቼንስለይ ከምኡ’ ውን ብሓጺሩ ‘ጄክ ኣንጄሊ’ ዝብል እዩ። እቲ ጥርጡር፡ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ኾይኑ፡ ስነ ምግባር ዝጠሓሰን ዓመጸኛን ኣተኣታትዋ ብዝብል እዩ ክሲ ዝምስረተሉ ዘሎ። እዚ ንባዕሉ ‘ቃኖን ሻማን’ እናበለ ዝጽውዕ ሰብ፡ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ናብ ካፒቶል፡ ውሽጢ ቤት ምኽሪ ኣመሪካ [ኮንግረስ] ብጉልበት ዝኣተዉ ናዕበኛታት፡ ኣብ መንጎኦም ገጹ ብሕብሪ ዝተሸለመ፣ ጀጓፍ ቆቢዕን ቀርንን ገይሩ እዩ ዝረአ። ምስቲ ፍጻመ ተኣሳሲሩ ኣብ ዝተዘርግረሑ ጸብጻባት፡ ኣብ ሚድያታት ዓለም ብሰፊሑ ምስሉ ይልለ። ዶናልድ ትራምፕ ብወገኑ ኣብ ምልዕዓል እቲ ናዕቢ ብዝነበሮ እጃም ክሲ [ኢምፕችመንት] እናተመስረቶ እዩ። ብፍላይ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራት፡ ኣብዚ ሓሙሽተ ሰባት ንክቕተሉን ብርክት ዝበሉ ንክቖስሉን ጠንቂ ዝኾነ ናዕቢ ብምትብባዕን ብምልዕዓልን ይኸስዎ። ኤፍቢኣይ፡ እቶም ኣብቲ ተግባር ዝተሳተፉ ናዕበኛታት ኩሎም ናብ ሕጊ ንምቕራብ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ። በቲ ገበን፡ ክሲ ዝቐረቦ ጄክ ኤንጀሊ ግን፡ ዛጊድ ዕላዊ ምላሽ ኣይሃበሉን። ካብ ፌዴራል ዓቃቢ ሕጊ ዝወጽአ መግለጺ፡ እቲ በቲ ገበን ተጠርጢሩ ክሲ ዝተመስረቶ ሓደ፡ እዚ ሰብ ኮይኑ፡ በቶም ዝተለኸዮም ሕብርታትን ዝተኸድኖም ነገራትን ኣብ ሚድያታት ዓለም ትኹረት ስሒቡ ዘሎ ናብ ካፒቶል ጥሒሶም ካብ መንጎ ዝኣተዉ ቀንዲ ተሓታቲ ምዃኑ ይሕብር። “እቲ ውልቀሰብ 6 ፊት ንውሓት ዘለዎ፡ ብባንዴራ ኣመሪካ ዝተመላኸዐ ብልሒ ዘለዎ ጦር ሒዙ እዩ ኣትዩ” ኢልዎ። እቲ መግለጺ ከምዝብሎ፡ ኣብ ወንበር፡ ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ዝኾነት ናንሲ ፔሎሲ ኮፍ ኢሉ ዝረአ ሰብ ውን ፖሊስ ካብ ፍሎሪዳ ኣሊሹ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዎ ወሲኹ ይሕብር። እዚ ወዲ 36 ዝኾነ ኣዳም ጆንሰን ዝበሃል ውልቀሰብ፡ ብዘይሕጋውን ብናዕብን ናብቲ ቤት ምኽሪ ብምእታውን ንብረት መንግስቲ ብምዝራፍን እዩ ተኸሲሱ ዘሎ። ካልእ ካብቶም በቲ ገበን ተኸሲሶም ዝርከቡ ድማ፡ ኣባል ቤት ምኽሪ ግዝኣት ቪርጂንያ ኾይኑ ደሪክ ኢቫንስ ይበሃል። ኣብቲ እዋን ኣብ ኣፍደገ እቲ ቤት ምኽሪ ምስ ደገፍቲ ትራምፕ ኾይኑ ናይ ባዕሉ ስእሊ [ሰልፊ] ብምልዓል ናብ ውሽጢ እቲ ህንጻ እንትኣቱ ይረአ። ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ እቲ ተግባር ኣብ ዝተፈጸመሉ ዕለት፡ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዝነበረ ኾይኑ ንሱ’ውን ተመሳሳሊ ክሲ ተመስሪትዎ ከምዘሎ ክፍሊ ፍትሒ እታ ሃገር ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ ኣሎ። ዛጊድ በቲ ኣብ ህንጻ ካፒቶል ዝተፈጸመ ብብዙሓት ዝተወገዘ ናዕቢ፡ ብርክት ዝበሉ ኣብ ቀይዲ እናወዓሉን ክሲ እናተመስረቶምን ይርከብ። ኣብቲ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ሕዳር 3 ዝተኻየደ መረጻ ዝበጽሖ ስዕረት ዛጊድ ዘይተውሓጠሉ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ድሕሪ 11 መዓልታት ስልጣኑ ብዕሊ ክለቅቕ እዩ። ሰልፊ ዲሞክራት እቲ ፕረዚደንት ከምዚ ዓይነት ናዕቢ ብምልዓሉ፡ ቀዲሙ ካብ ስልጣን ክእለ ዘኽእሎ ዓንቀጽ እናጠቐሱ ክሲ ኣብ ምምስራት ይርከቡ። እንተኾነ፡ ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ [ዋይት ሃውስ]፡ ኣብዚ ዝተወደአ ግዜ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ምውሳድ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሓጓፍ ዘስፍሕ ጥራይ እዩ ዝብል ርእይቶ ሂቡ ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55608953"} {"headline":"ፕረዚደንት ማሊ ኢብራሂም ቡባካር ከይታ ብወተሃደራት ተኣሲሩ","content":"ፕረዚደንት ማሊ ኢብራሂም ቡበከር ኬይታ፡ ብኣድማ ዝገብሩ ዝነበሩ ወተሃደራት መንግስቲ፡ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ኣፈኛ መንግስቲ ማሊ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ። ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ባውባው ሲሰ'ውን ኣብ ቀይዲ ኣቲዩ ከምዘሎ ተፈሊጡ። እዚ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ፡ ሎሚ ንጉሆ ኣብ ጥቃ ርእሰ ከተማ ባማኮ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ከምዝተጀመረ ተገሊጹ። ኣብ ማእከል እታ ርእሰ ከተማ፡ ገለ መናእሰያት፡ ንሓደ ህንጻ ቤተ-መንግስቲ ብሐዊ ኣቃጾሎምዎ። እዚ ፍጻመ፡ ታሕተዎት መራሕቲ ሰራዊት ንሓለፍቶም ኣሲሮም ነቲ ካብ ባማኮ 15 ከ.ሜ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ምስ ተቆጻጸርዎ'ዩ ኣጋጢሙ። ናይ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዞባዊ ውድብ ዝኾነ ኢኮዋስን ባዕዳዊ ገዛኢት ማሊ ዝነበረት ፈረንሳይን፡ ነቲ ተግባር ኮኒኖምዎ ኣለዉ። ኣብ ማሊ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ፡ ብሰንኪ ምሕደራን ቁጠባዊ ዝሕታለን ሰልስተ ዓበይቲ ሰለማዊ ሰልፍታት ተኻይዱ ነይሩ። ኣብታ ሃገር ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ባይቶኣዊ ምርጫ፡ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኣቡበከር ከታን ተቓወምቲ ሰልፍታትን ምስሕሓብ ተፈጢሩ ምንባሩ ይፍለጥ። እቶም ተቓወምቲ ሰልፍታት ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ክወርድ ኣለዎ ብምባል ዓበይቲ ህዝባዊ ተቓውሞታት ክካየድ ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም። ኣብ ቀረባ እዋን ግን፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ካብ ስልጠኑ ክወርድ ዝጠልብዎ ዝነበሩ ሓሳብ ገዲፎም፡ ፕረዚደንት ከየታ፡ ንተቓወምቲ ሰልፍታት ዝሓወሰ ልፍንታዊ መንግስቲ ክምስረት ሓሳብ ኣቕሪቦም ነይሮም። ፕረዚደንት ኣቡበከር፡ ኣብ 2018 ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንሓምሽተ ዓመት ክመርሕ ስልጣን ከምዝሓዘን፡ እንተኾነ ግን፡ ብሰንሲ መጥቃዕቲ ጂሃዳውያን ሓይልታትን ቁጠባዊ ቁልውላውን ብዙሕ ጸቕጢ ክግበረሉ ጸኒሑ'ዩ። ብዙሓት ደቂ-ማሊ ድማ እዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ዕግርግር ንጂሃዳውያን ሓይልታት ዕድል ከይህቦም ስግኣቶም ይገልጹ ኣለው።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53803543"} {"headline":"\"ንእሽቶ ሓዉ ክእልሽ ዝወጽአ ወደይ ብ5 ጠያይቲ ተቐቲሉ\" ወዲ ወላይታ ኣቦ","content":"ብሰንኪ፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ወላይታ፡ ዝተልዓለ ናይ ናዕብን ተቓውሞን በኹሪ ወዶም ዝሰኣኑ፡ ኣይተ ተፈሪ ሰይፉ፡ ወዶም ንእሽቶ ሓው ክእልሽ ምስ ወጽአ ከምዘይተመልሰ ይዛረቡ። ቢቢሲ ትማሊ ዘዛረቦም ኣይተ ተፈሪ፡ ኣብ ከቢድ ሓዘን ነይሮም። ወዲ 28 ዓመት ወዶም ተስፋዬ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣርባምንጪ፡ ብቢዝነስ ማኔጅመንት ተመሪቑ 'ኢንተርፕራይዝ ልማት' ኣብ ዝበሃል ትካል እዩ እናሰርሐ ጸኒሑ። ኣብ እዋን ዕረፍቲ ስድርኡ ክሓትት መጺኡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብታ ከተማ ዝተፈጥረ ዕግርግር፡ ተኹሲ ዝተኸፍተ ኾይኑ፡ ንእሽቶይ ሓው ኣብ ገዘ ስለዘይነበረ፡ ንዕኡ ክእልሽ ወጺኡ። ይኹንምበር፡ ሓው ክእልሽ ዝወጽአ ወዶም፡ ብጥይት ተወቒዑ፡ ከይተመለሰ ተሪፉ። ኣብ ውሽጢ ከቢድ ናይ ሓዘን ድባብ ኮይኖም፡ ሕንቕንቕ እናበሉ፡ \" ወደይ ተመንጢለ\" ኢሎም ንቢቢሲ። \"ሲቪል እዩ፡ ኣጽዋር ኣይተዓጠቐን፣ ዝኾነ ዝፈልጦ ነገር የብሉን፡ ባዶ ኢዱ ምስ ወጽኣ ብኣ ኣቢሉ ተሪፉ\" ኢሎም ሓዘን ብዝተመልኦ ልቦም። ሕቶ ክልልነት ህዝቢ ወላይታ፡ ንልዕሊ 15 ዓመታት ዘቑጸረ ኾይኑ፡ እዚ ሕቶ ምላሽ ኣብ ዘይረኸበሉ እዋን ሓለፍቲ እቲ ዞባ ምእሳር ሓድሽ ናዕቢ ክለዓል ሰበብ ኮይኑ። \" 'ሓወይ ገለ ከይኸውን። ጥይት ከይረኽቦ፡ ሒዘዮ ከመጽእ' ኢሉ እዩ ወጺኡ። ዝወጽአ ንተቓውሞ ሰልፊ ኣይነበረን\" ኢሎም። ከይወጽእ ሓቲቶምዎ ከምዝነበሩ'ውን ይዛረቡ። ብጥይት ከምዝተወቕዐ፡ ዝሰምዑ ድማ፡ ካብ ዓርኮም ብቴሌፎን እዩ። \"ወድኻ ብጥይት ተወቒዑ ፡ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ ይበሃል ኣሎ'ሞ ተኸታተሎ\" ኢሉ ከምዝደወለሎም ይዛረቡ። ንሶም በቲ ዝሰምዕዎ ሰንቢዶም፡ ፈለማ ናብ ሆስፒኣተል ሰዶ እዮም ኣምሪሖም። ኣብኡ ምስበጽሑ ድማ፡ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ስለዘለዉ፡ 'ኣይትኣትዉን' ከምዝበልዎም ይዛረቡ። \"ናብዚ ሰብ ምእታው ኮነ ምውጻእ ኣይከኣል ኢሎምኒ\" ብምባል ናብ ሆስፒታል ክርስትያን ክፍትኑ ነጊሮምዎም። ኣብኡ ምስከዱ፡ ኣብ ጽኑዕ ክትትል ሕክምና ከምዝኣተወን ብሓሙሽተ ጥይት ከምዝተወቕዐን ተነጊርዎም። ኣብ ውሽጢ ከብዱ ዝኣተወ ጥይት ንምውጻእ፡ መጥባሕቲ ይካየደሉ ነይሩ። እንተኾነ፡ እቲ መጥባሕቲ ከይተወደአ፡ ህይወቱ ሓሊፉ፥። \"ኣብቲ ክፍሊ ጽኑዕ ክትትል እናሃለወ ዓይኑ ከይረእኽዎ ደኺሙ ህይወቱ ሓሊፉ\"ኢሎም። እቶም ዶኳትር ነቶም ኣቦ ክዛረብዎም ከምዘተጸገሙን፡ ብካሊእ ሰብ ኣቢሎም ክንገሮም ከምዝተገብረን ይዛረቡ። ወዶም ካብ ዩኒቨርሲቲ ተመሪቑ፡ ቁምነገር ከይረእዩ ከይወለደ ከይዘመደ፡ ብኸምዚ ህይወቱ ምሕላፉ የሕዝኖም። ኣብ ካብዶም ከቢድ ሓዘን ከምዝኣተዎም ዝዛረቡ፡ ኣቦ ተስፋዬ፡ 'ብኸመይ እዩ ሞይቱ?' ኢሉ ዝሓተት መንግስታዊ ኣካል ዘይምህላዉ ዝያዳ ከምዘሕዝኖም ድማ ይዛረቡ። ቢቢሲ፡ ኣብቲ ዕግርግር ዛጊድ ብውሕዱ 16 ሰባት፡ ከምዝሞቱ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝርከቡ ሆስፒታላት ኣረጋጊጹ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53770115"} {"headline":"ናዕቢ መናእሰይ ቱኒዛውያን ሳልሳይ መዓልቲ ኣቑፂሩ","content":"ኣብ ርእሰ ከተማ ቱኒዝን ካልኦት ብዙሓት ከተማታት እታ ሃገርን ፡ ኣብ ሞንጎ ሰልፈኛታትን ፖሊስን ጎንፅታት ከምዝነበረ ተገሊፁ። እዚ ሰፊኑ ዘሎ ውጥረት ትማሊ ሰንበት ሳልሳይ መዓልቲ ዘቑፀረ እንትኾን፡ ሰብመዚ እታ ሃገር 'ናዕቢ' ብምባል ገሊፀሞ ኣለዉ። ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝወፅኡ ስእልታትን ተንቀሳቐስቲ ምስልታትን፡ መገድታት ብዝነድድ ጎማ ተዓፅዮም፡ ፖሊስ ንመናእሰይ እንከጓይይ የርእዩ። ሰብመዚ እታ ሃገር፡ ንብረት ዘዕነዉን ትካላት ንግድን ባንክታትን ንምዝማት ዝፈተኑን ዝበሎም ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝተኣሰሩ ገሊፆም። ጠለብ እቶም መናእሰይ እንታይ ምዃኑ ኣይፍለጥን። እንተኾነ ኣብ ቱኒዝያ ሰፊሕ ዘይምዕጋብን ነዊሕ ዘቑፀረ ቁጠባዊ ፀገማትን ኣሎ። ዋጋ ሸቐጣት ካብ ምውሳኽ ብተወሳኺ፡ ሲሶ መንኣሰይ እታ ሃገር ሸቕሊ ኣልቦ እዮም። ቅድሚ 10 ዓመታት ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ሰውራ ዋላ’ኳ ናብ ዲሞክራሲ እንተምረሐ፡ እዚ፡ ብዙሕ ስራሕን ዕድላትን ክፈጥር እዩ ዝብል ተስፋ ምቕምሳሉ ግና፡ ንብዙሓት ዘጉሃየ ኮይኑ ኣሎ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55701932"} {"headline":"‘መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ምጽራይ ንተቓወምቲ ምጽላም ደው ከብል ይግባእ’ ክራይስስ ግሩፕ","content":"ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ፡ ኣብ ጉዳይ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳን ስዒቡ ዝተፈጠረ ናዕብታትን ኣመልኪቱ፡ ንተቓወምቲ ምጽላምን ኢድካ ምውጥዋጥን ነገራት ክጋደዱ ከምዝገብር ኣጠንቂቑ። እቲ ጎንጽታት ቀዲሙ ብምእማትን ምትንታንን ዝፍለጥ ዓለማዊ ጉጅለ፡ ቅትለት እቲ ስሙይ ኦሮሞታይ ኣርቲስት ስዒቡ ዝተርኣየ ተቓውሞን ጎንጽታትን ኣመልኪቱ ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ እዩ ከምኡ ዝበለ። ኩሎም ሓይልታት ፖለቲካ ናብ ልዝብ ከመጽኡ ዝሓተተ እቲ ጉጅለ፡ ብፍላይ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ብግልጺን ብዘይ ሻራውን መገዲ ክጻረ ሓቲቱ ኣሎ። ነቲ ክስተት፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ፡ እቲ ዝዓበየ ተቓውሞ ዘስዓበ ክብል ገሊጽዎ። ቅድም ክብል ድማ ምስ ምንዋሕ መረጻን ምንዋሕ ስልጣን መንግስትን ኣብ ዝምልከት ጉዳያት፡ ካልኦት ውድባት ተቓውሞ ከየማኸረ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንበይኑ ምውሳኑ፡ ነቒፉ። ሕዚ ድማ፡ ነቲ መረጻ ናይ ምንዋሕ ስጉምቲ ንዝተቓወሙ ሓይልታት፡ ነዚ ዝተፈጥረ ዕግርግር ተበሊጽኻ ምእሳር ፍታሕ ከምዘየምጽእ እቲ ጉጅለ ሓቢሩ። ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ፡ ጀዋር መሓመድ፣ ኣቶ በቀለ ገርባን ካልኦትን ብቕልጡፍ ክፍትሑ ድማ ሓቲቱ። ቅድሚ መርመራ ምእንፋት እቲ ዝተፈጸመ ቅንጸላ ብዝምልከት፡ መርመራ ፖሊስ ገና ዘይተዛዘመ እንተኾነ’ኳ፡ ሰብ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ተግባር መን ከምዝፈጸሞ ዘመላኽቱ መግለጺታት ከምዝሃቡ እቲ ጉጅለ ኣዘኻኺሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ነቲ ዝተልዓለ ናዕብታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ‘ነቲ ለውጢ ዘዕንቅፉ ሓይልታት’ ንዝበሎም ተሓተትቲ ገይሩ እዩ። ካልኦት ሰብ መዚ መንግስቲ ድማ፡ ንህወሓትን ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ንዝንቀሳቐስ \"ሸኔ\" እናተብሃለ ዝጽዋዕ ዕጡቕ ጉጅለን ጠቒሶም ከሲሶም እዮም። ኣብታ ሃገር ንዘጋጥም ሕድሕድ ቅልውላዋት፡ 'ኣብ ዘይወዓልናዮ ተሓተትቲ ንግበር ኣለና' ዝብል ቅርታ ዘለዎም መራሕቲ ህወሓት፡ እቲ ናይ ሕዚ ክሲ’ውን፡ ተመሳሳሊ ቁጥዐ ከምዝፈጥረሎም እቲ ትካል ኣሚቱ'ሎ። ሰበ ስልጣን መንግስቲ፡ እቶም ዝፍጸሙ ቅትለታት ብዝምልከት ምሉእ ምጽራይ ከይተገብረ ምእንፋት ጠጠው ከብሉ ኣለዎም ክብል ድማ ኣጠንቂቑ። “ስግኣት ጸጥታ ዘሻቕል እናኾነ ብዝኸደ ቁጽሪ፡ ሰብ ስልጣናት መንግስቲ፡ ተቓወምቲ ውድባት'ዮም ‘ዓዲ ዝሕምሱ ዘለዉ’ ኢሎም ኢዶም የወጣውጡ ኣለዉ። እዚ መጸለምታ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝፍጠር ዘሎ ምምቕቓል ዘጋድድ እዩ ክኸውን” ኢልዎ። ተቓወምቲ ውድባት ብወገኖም፡ ደገፍቶም ተቓውሞኦም ብሰላማዊ መገዲ ከካይዱ ከምዘለዎም ክምዕዱ ሓቲቱ። ጎደሎ መስርሕ ሕጊ ኣብዪ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ ዝፍጠር ዘለዉ ጎንጽታት፡ ኣሻሓት ኣደዳ ሞት ክኾኑን፡ ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ሰባት ድማ ካብ መረበቶም ክመዛበሉን ምኽንያት ከምዝኾኒ ክራይስስ ግሩፕ ኣብሪሁ። ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ለውጢ ሃዲዱ ስሒቱ እዩ ዝብል ነቐፌታ ኣስሚዑ ዝነበረ ክራይስስ ግሩፕ፡ ብፍላይ ምስ ክልል ትግራይ ዘሎ ምስሕሓብ ሓደገኛ ሳዕቤን ክህልዎ እዩ ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ። ሕዚ’ውን ምስ ምንዋሕ መረጸ ተኣሳሲሩ፡ ኣብዪ ኣሕመድን እቲ ሓድሽ ውድቡ ብልጽግናን ንብሕቶም ምውሳኖም፡ ግቡእ ከምዘይኮነ ኣብዚ እዋናዊ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ኣሎ። ነቲ ስጉምቲ ዝተቓወሙ ብቐንዱ ህወሓትን ጃዋር መሓመድ ኣባል ዝኾነሉ ፌዴራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞን እዮም። “ተደጋገሚ ጎንጽታት ምግጣሙ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዙሕ ኣማኺሩ ክሰርሕ ከምዝግበኦ ዘመላኽት እዩ\" ኢሉ። መንግስቲ ፌዴራል፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ጀነራላትን ዝተፈጸመ ቅትለት ብግልጽን ብተኣማንነትን ከጻሪ ሓቲቱ። “ዛጊድ ቅትለት ላዕለዎት ሓለፍቲ ንምጽራይ ዝግበር መስርሕ ሕጊ፡ ጎደሎን ጥርጣረታት ዘሕድርን” እዩ ድማ ኢልዎ። ኮሞሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ እቲ ኣብ ቀረባ መዓልተት ዘጋጠመ ጎንጺ፡ ዓሌታዊ መልክዕ እናሓዘ መጺኡ ከምዝነበረን ከምዘሻቕሎን ገሊጹ። ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ሓይልታት ጸጥታ ዘይተመጣጠነ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ክቑጠቡ እቲ ኮሚሽን ዝሓተተ ኾነኑ፡ ምጽራይ እቲ ቅትለት ብዘይሻራዊ ኣካል ብግልጺ ክካየድ ድማ ሓቲቱ። ኣብታ ሃገር ኢንተርንኔት ምዕጻው ድማ፡ ሓቃዊ ሓበሬታ ከይርከብ ምኽንያት ይኸውን ስለዘሎ መንግስቲ ብቕልጡፍ ክኸፍቶ ሓቲቱ። እንተዘይኮይኑ፡ ነቲ ምቅሕሓር ዘጋድድ እዩ ኢሉ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53298841"} {"headline":"ኣብ ወላይታ ኢትዮጵያ፡ ብዝተላዕለ ዕግርግር ዓሰርተ ሰባት ተቐቲሎም","content":"ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፡ ምስ ሕቶ ክልል ህዝቢ ወላይታ ተተሓሒዙ ሓይሊታት ጸጥታ ሰባት ምእሳሮም ስዒቡ ብዝተልዓለ ጎንጺ፡ ዓሰርተ ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ. ዞባ ወላይታ ብደረጃ ክልል ንምውቓር ዝተጣየሸ ሰክረተርያት ኣብ ዝጸወዖ ኣኼባ ዝተሳተፉ ኣመራርሓ፣ ሰብ ሞያ ሕግን ሽማግለታትን ምስተኣሰሩ እዩ እቲ ጎንጺ ተላዒሉ። ብፍላይ ሓያል ጎንጺ ኣብ ዘተኣናገደት ከተማ ቦዲቲ ሽውዓተ ሰባት ከምዝሞቱን፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ሰዶ እውን ዝተቐተሉ ሰባት ከምዘለዉን፡ ካብ ሆስፒታላትን ነበርትን ሓበሬታ ከምዝረኸበ ብምጥቃስ፡ ኣባል ፈጻሚት ብሄራዊ ምንቅስቓስ ወላይታ ኣቶ ማቴዎስ ባልቻ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ኣብ ከተማ ሰዶ ሰለስተ ሰባት ከምዝሞቱ ዝገለጸ ኣቶ ማቴዎስ፡ መባዛሕተኦም መወትቲ ብዕድመ ንኡሳት ምዃኖም ብምግላጽ ፟መንግስቲ ብዘይ ኣገባብ ሓይሊ ተጠቒሙ እዩ ኢሉ። እቲ ዘሕዝን እቶም ቆልዑ ብበትሪ ምውቃዕ እኳ ዝኣኽሎም እዮም፡፡ መንብዒ ትኪ ምጥቃም እውን ይከኣል ነይሩ። ገለገሊኦም እንትሃድሙ ተኸቲልካ ምትኳስ ዘሕዝን እዩ፟ ክብል ወሲኹ ገሊጹ፡፡ብተወሳኺ እቶም ቆልዑ ዝተቐተሉ መሳርሒ ኲናት ክምጥሉ ስለዝፈተኑ ከምዝኾነ ዝገልጽ ሓሳብ ምክትል ኮምሽነር እቲ ክልል፡ ልክዕ ከምዘይኮነ ኣቶ ማቴዎስ ገሊጹ። ቢቢሲ ብዝገበሮ ምጽራይ፡ ብድቕድሚ ትማሊ ብጥይት ተወቒዑ ናብ ክርስትያን ሆስፒታል ሰዶ ዝኣተወ ሰብ ከምዝሞተ ኣረጋጊጹ ኣሎ። እቲ መዋቲ ወዲ ሰላሳ ዓመት ከምዝኾነ ዝሓበረ ሽሙ ከይጥቀስ ዝደለየ በዓል ሞያ ጥዕና፡ ካልኦት ሰላስተ ሰባት ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክትትል ከምዘለዉ ተዛሪቡ። አቲ ሓደ ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ኣብ ክሳዱ በጥይት ተወቒዑ ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዘሎን፡ ካሊእ 25 ዓመት ብጥይት ተወቒዑ ሰራውር ደም እግሩ ከምዝተጎደአን ዝገለጸ እቲ በዓል ሞያ ጥዕና፡ እቲ ሳልሰዋይ ድማ ብበትሪ ከምዝተቐጥቀጠ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ብጥይት ዝተወቕዑ ካልኦት ሰለስተ መናእሰይ ኣብ ክፍሊ ሕክመና ዓጽሚ ከምዘለዉን፡ ካልኦት ቀሊል ጉድአት ዝበጸሖም ሓሙሽተ ሰባት ተሓኪሞም ከምዝተመለሱን እቲ በዓል ሞያ ወሲኹ ገሊጹ። ብተወሳኺ ኣብ ቦዲቲ ከተማ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝሞቱን ኣብ ሰዶ እውን ዝተቐተሉ ሰባት ከምዘለዉ ሓበሬታ ከምዝረኸበ ተዛሪቡ። ኣብዚ እዋን ምንቅስቓስ ንግድን ተሽርከርትን ከምዘየለ ብምጥቃስ፡ ሰዶ ከምዝተጋገዐትን ኣብ ቦዲቲ ግን ውሱን ዘይምርግገእ ከምዘሎ ገሊጹ። ካሊእ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ምስክር ዓይኒ ድማ ብምኽንያት ምዕጻው መገዲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ቦዲቲ ምጉዓዝ ከምዘይከኣለ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ዕግርግር ኣክሊሉ ዝተብሃል ምሓዝኡ ከምዝተቐተለ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ኣብ ዞባ ወላይታ 'ዕግርግር ዘልዐሉ' ብዝብል ዓሰርተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ንፋና ብሮድካስቲንግ ዝገለጹ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥተን ክልል ደቡብ ኣለማየሁ ባውዲ፡ ሕቶ ክልል እቲ ዞባ ብመንግስቲ ዘቕመጦ ኣንፈት ከይፍታሕ ዝጽዕሩ ኣመራርሓ እቲ ዞባ ከምዝኾኑ ተዛሪቡ። ብተወሳኺ ናይቶም ኣመራርሓ ኣብ ቀይዲ ምውዓል ስዒቡ መገዲ ናይ ምዕጻው ኩነታት ከምዝነበረ ብምሕባር ናይ ሓደ ሰብ ህይወት ከምዝሓለፈን ካልኦት ሰባት ከምዝቖሰሉን ኣቶ ኣለማየሁ ገሊጹ። ካብቶም ዝተኣሰሩ ሰባት፡ ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ዳጋቶ ኩምቤ፣ ሓላፊ ፓርቲ ብልጽግና እቲ ዞባ ጥበቡ ዮሃንስ፣ ምክትል ፕረዚደንት ዲሞክራስያዊ ግንባር ወላይታ ዶ\/ር ኣስራት ኤልያስን ካልኦት ሽማግለታትን ዝረከቡዎም 26 ሰባት ከምዝኾኑ ኣቶ ማቴዎስ ገሊጹ፡፡","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53740731"} {"headline":"ኣብ ባንግላዴሽ 'ፍርያት ፈረንሳ ኣይትዓድጉ' ዝብል ውዕውዕ ሰልፊ ተኻይዱ","content":"ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ባንግላድሻውያን፡ ፍርያታት ፈረንሳይ ንዘይምዕዳግን ንዘይምጥቃምን ዝጽውዕ ገዚፍ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይ'ታ ሃገር ኣካይዶም። እዚ ኣብ ከተማ ዳካ ዝተገብረ ገዚፍ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ፕረዝደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ንጥሩፋት ሙስሊም ከምዝቃለስ ድሕሪ ምግላፁ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ፕረዝደንት ማክሮን፡ ነቲ ንነብዩ መሓመድ ዝገልጽ ስእልታት ኣብ መምሃሪ ክፍሊ ዘርኣየን፡ ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ብሰይፊ ዝተቐተለን መምህር ደጊፉ ካብ ሙምጓት ሓሊፉ፡ ኣብዚ ጉዳይ ተሪር ቅዋሙ የንፀባርቕ እዩ ዘሎ። ነዚ ስዒቡ ድማ፡ እቶም ናብ ጎደናታት ከተማ ዳካ ዝወፅኡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰልፈኛታት፡ ንምስሊ ፕረዝደንት ኢማኑኤል ማክሮን ብምቅፃል ተቓውሞኦም ገሊጾም። ፖሊስ፡ ነቶም ሰልፈኛታት ኣብታ ከተማ ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ፈረንሳይ ከይኣትዉ ዓጊትዎም። እቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ኣስታት 40 ሽሕ ሰልፈኛታት ዝተሳተፍሉ እንትኾን፡ ኣብታ ሃገር ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ዝበሃሉ እስላማዊ ውድባት ‘ኢስላሚ ኣንዶላን ባንግላዲሽ’ ዝወደቦ እዩ። እቶም ሰልፈኛታት “ንፍርያታት ፈረንሳይ ከይትጥቀሙ” ብምባል ዝጨርሑ እንትኾኑ፡ ፕረዝደንት ማክሮን ንክቕፃዕ ድማ ፀዊዖም። ሓደ ላዕለዋይ መራሒ ውድብ ‘ኢስላሚ ኣንዶላን’ ኣቱር ራሕማን ነቶም ሰልፈኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ማክሮን ካብቶም ንሰይጣን ዘምልኹ ውሑዳት መራሕቲ ሓደ እዩ” ኢሉ። መንግስቲ ባንግላዲሽ፡ ንኣምባሳዳር ፈረንሳይ ካብታ ሃገር ከባርሮ ድማ ፀዊዑ። ናይ ካልእ ጉጅለ መራሒ ነሳር አዲን ድማ “ፈረንሳይ ፀላኢት ሙስሊም እያ፤ እቶም ዝወከልዎም እውን ፀላእትና እዮም” ኢሉ። ፖሊስ እታ ሃገር ድማ፡ እቶም ሰልፈኛታት ካብ ኤምባሲ ፈረንሳይ ንምርሓቕ ኣስታት ሓሙሽተ ኪሎሜትር ፅርግያ ብዓሿኽ ስልኪ ሓፂሮምዎ። ፕረዝደንት ማክሮን ኣብ ሃይማኖት እስልምና ንዝረአ ጥሩፍነት ከምዝምክት ድሕሪ ምግላፁ፡ ብዙሓት ሰዓብቲ እስልምና ኣብ ዘለወን ሃገራት ዒላማ ኮይኑ ኣሎ። ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ፈረንሳይ፡ ሰልፍታት ተቓውሞ ኣብ ዝተኻየደለን ሃገራት ኢንዶኔዥያ፣ ባንግላዲሽ፣ ዒራቕን ሞሪታንያን ዝርከቡ ዜጋታቱ ብጥንቃቐ ክንቀሳቐሱ ኣጠንቂቑ ኣሎ። ፕረዝደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን እውን፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ልዕሊ ፍርያታት ፈረንሳይ ኣድማ ክግበር ፀዊዑ እዩ። ንሱ ብተሌቬዥን እታ ሃገር ኣብ ዘሕለፎ መደረ፡ “ከምቲ ቅድሚ ካልኣይ ኩናት ዓለም ኣብ ኣውሮጳ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ይቕተሉ ዝነበሩ፡ ሕዚ ድማ እስላም ክቕተሉ ጎስጓስ ይግበር ኣሎ” ብምባል፡ መራሕቲ ሃገራት ኣውሮጳ ፕረዝደንት ፈረንሳይ እቲ ይገብሮ ዘሎ ናይ ፅልኢ ጎሰንጓስ ደው ንከብል ክነግርዎ ይግባእ ኢሉ። እንተኾነ መራሕቲ ሃገራት ኣውሮጳ፡ ንማክሮን ብምድጋፍ ንዘረባ ፕረዝደንት ኤርዶጋን ኮኒኖምዎ። ፕረዝደንት ኤርዶጋን፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳም እውን ፕረዝደንት ፈረንሳይ ኣብ ልዕሊ እስላም ብዘርኣዮ ቅዋም “ሕክምና ኣእምሮ የድልዮ እዩ” ኢሉ ነይሩ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54711682"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ እቲ ዝቐነየ ናዕቢ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኦሮምያን ከቢድ ዕንወት ኣስዒቡ ተባሂሉ","content":"ንሓርነት ኦሮምያ ዝቃለስ ስሙይ ኢትዮጵያዊ ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ቅትለት ስዒቡ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኦሮምያ ዝቐነየ ናዕቢ፡ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ዓብዪ ጉድኣት ኣብጺሑ። ብሓፈሻ ዛጊድ ኣስታት 90 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ ኣሎ። ካብኣቶም፡ እቶም ሰለስተ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ እዮም። እቶም ዓሰርተ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እንትኾኑ ዝተረፉ ድማ ኣብ ካልኦት ከተማታት ኦሮምያ እዮም ተቐቲሎም። እቶም ሽድሽተ፡ ትማሊ ኣብ ከተማ ኣምቦ 'እቲ ኣርቲስት ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዩ ክቕበር ዘለዎ' ኣብ ዝብል ዝተልዓለ ናዕቢ ከምዝሞቱ ሓለፍቲ መንግቲ ይገልጹ። ስነ ስርዓት ቀብሪ ስነጥበባዊሃጫሉ፡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ኣምቦ ተፈጺሙ ኣሎ። ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ድማ፡ እቲ ስነስርዓት ቀብሪ ብሰላም ክዛዘም ጻዕሪ ከምዝገበሩ ሓላፊ ጸጥታ ክልል ኦሮምያ ኣቶ ጅብሪል ንቢቢሲ ገሊጹ። ኣብ ከም ሻሸመኔ፣ ኣዳማን ካልኦትን ከተማታት ኦሮምያ ህይወት ሰብ ካብ ምስኣን ብዝዝለለ ኣብ ልዕሊ ንብረት'ውን ከቢድ ዕንወት ከምዝሰዓበ እቲ ሓላፊ ይዛረብ። ንኣብነት፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 'ኮንዶሚንየም ኦሮምያ' እናተብሃለ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ፡ ገለ ዝተጎጀሉ ውልቀሰባት ኣብ ልዕሊ ሰባትን ንብረቶምን ጉድኣት ከብጽሑ ፈተናታት ተገይሮም ይብል። እቲ ዝዓነወ ንብረት፡ ናይ መንግስትን ናይ ውልቀን እዩ። ኮሚሽነር ፖሊስ ኮሚሽን ኣዲስ ኣበባ፡ ትማሊ ኣማስዩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ናይ ውልቀ መኪናታት ምስባርን ምቅጻልን ከምኡ'ውን ስርቅን ዘረፋን ሰፊኑ ከምዝነበረ ሓቢሩ። ብሓፈሻ፡ ልዕሊ 250 መኪናታት ከምዝተሰበራን ልዕሊ 20 ድማ መሊአን ብቓጸሎ ከምዝዓነዋን እቲ ኮሚሽነር ኣብሪሁ። እቲ ዕንወት፡ ብሕሉፋት [ኣኽረርቲ] ክብል ዝኸሶም ጉጅለታት ተወለድቲ ኦሮሞን ኣምሓራን ከምዝኾነ እዩ ዝዛረብ። ኣብ ከተማ ቡራዩ ድማ፡ ገለ ፋብሪካታት ከዕንው ዝፈተኑ ዝተጎጀሉ ሰባት ከምዝነበሩ ሓቢሩ። እቶም ጉድኣት ዘብጽሑ ውልቀሰባት፡ ኣብ ቀይዲ ይኣትዉ ኣለዉ ድማ ኢሉ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53268630"} {"headline":"ኤርትራውያን ኣብ ለንደን ኣንጻር ጥሜትን 'ደበና ኲናትን' ተቓውሞ ኣካዪዶም","content":"ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘጋጥም ዘሎ ጥምየትን፡ ኣብቲ ከባቢ የንጸላሉ ኣሎ ዝበልዎ ደበና ኲናትን ዘለዎም ተቓውሞ ንምግላጽ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ለንደን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም። እቶም ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ኮመን ዌልዝን ዝተኣከቡ ኤርትራውያን፡ መንግስቲ ኤርትራ ንለበዳ ኮቪድ-19 ከም ምስምስ ብምጥቃም ንህዝቢ ብጥምየት ይሕዝ ኣሎ ክብሉ ከሲሶም። ዋላ'ኳ እቲ ኣብ ፈለማ ሚያዝያ መንግስቲ ዝኣወጆ ዕጽዋ ይፈኩስ እንተሎ፡ ብወግዒ ግን እታ ሃገር ካብ ዕጽዋ ኣይወጸትን። ብሰንኪ'ቲ ዕጽዋ፡ ኣብታ ሃገር ሰፊሕ ጥምየት ኣጋጢሙ ከምዘሎ ጸብጻባት ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ። መንግስቲ፡ ንመሰረታዊ ጸገማት ህዝቢ፡ ብፍላይ ድማ ኣዝየን ድኻታት ስድራቤታት ንምዕንጋል ዝገብሮ ደገፍ ከምዘየለ'ዩ ዝግለጽ። በረራታትን ካልኦት ህዝባዊ መጓዓዝያን ተቛሪጾም፡ ማሕበራዊ ንጥፈታት ደስኪሎምን ኣብ ዝርከብሉ እዋን፡ እቲ ኣቐዲሙ'ውን ኣዝዩ ተዳኺሙ ዝነበረ ቁጠባ መሊሱ ብሰንኪ'ቲ ለበዳ ምድሳካሉ፡ ብዙሓት ስድራቤታት ኣብ ሓደጋ ዓጸቦ ክኣትዋ ተገዲደን ኣለዋ። እቶም ኣብ ለንደን ተቓውምኦም ዘስምዑ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ \"ዓፈና መሰልን መግብን ይኣክል\" ብምባል፡ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ብፍላይ ድማ መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ጸቕጢ ክገብር ጸዊዖም። ዘለዎም ጠለባት ዝሓዘ መዘክር'ውን ነቲ ቤት ጽሕፈት ከምዘረክቡ ገሊጾም። ንሳቶም፡ ብዛዕባ'ቲ፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክውላዕ ይኽእል'ዩ ዝበልዎ ዳግማይ ኲናት ዘለዎም ተቓውሞ'ውን ኣስሚዖም። \"ኲናት ኣብ ኤርትራ ይኣክል\"፡ \"ኣይፋል ንኲናት\" ዝብሉ ጭርሖታት፡ ነቲ ብፍላይ ምስ ክልል ትግራይ ክፍጠር ይኽእል'ዩ ዝብልዎ ግጭት ንምቅዋም ዝዓለመ ምዃኑ ንቢቢሲ ተዛሪቦም። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ክልል ትግራይን ዘሎ ወጥሪ ናብ ወግእ ከየምርሕ ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ'ሎ። ይኹን እምበር፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ መንግስቱ ንናቱ ህዝቢ ክወግእ መደብ ከምዘይብሉ ብምግላጽ ነቲ ስግኣት \"ናይ ዕብዳን ዘረባ'ዩ\" ክብል ገሊጹዎ ነይሩ። ንመንግስቲ ኤርትራ'ውን \"ናይ ሰላም ሓይሊ\" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ዘቕል ከምዘየለ ተዛሪቡ ነይሩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ወታሃደራዊ ምርኢት ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል፡ ቀላጽምን ድልዉነትን ናይቲ ክልል ምርግጋጽ ዝዓለመ ምዃኑ ምግላጹ'ውን ነቲ ሻቕሎት መሊሱ ኣዕሪግዎ ኣሎ። ኣብዚ ኣንጻር'ቲ ስርዓት ዝተገብረ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ዝተነበ መግለጺ፤ እቲ ቃልሲ ካብ ዝሓለፈ ዝቐጸለን ኣብ ውሽጢ ሃገር ድማ ፈኸም ዝብል ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞን መቐጸልታ ከምዝኾነ ይሕብር። ኣብ ቀረባ እዋን ንኣስታት ሰብዓ ኣባላት ሃገራዊ ፓርላማ እንግሊዝ፡ ካብ ከተማ ለንደንን ማንችስተርን ንዝኾኑ፤ ህልው ኩነታት ኤርትራ ዝገልጽ ደብዳበ ከምዝተጽሓፈሎምን፡ ገሊኦም ተገዳስነት ከምዘርኣዩን'ውን ኣብቲ ዝቐረበ መደረ ተሓቢሩ። \"እዚ ብቐደሙ'ውን ሓልዮት ህዝብን ሃገርን ዘይነበሮ ምልካዊ ስርዓት ንህዝብና ከጽንት ዝተፈላለዩ ሜላታት ክጥቀም'ኳ እንተጸንሐ፤ እነሆ ሕጂ ግን ብሽም ምክልኻል ኮሮና ህዝብና ምንቅስቓሳቱ ብምርጋጥ ኣብ ሓደጋ ጥሜት ኣእትእዎ ይርከብ\" ዝብል ድማ ይርከቦ። እቲ መደረ፡ \" ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብዶብ ኣሳቢቡ ዘየለ ምኽንያት ፈጢሩ ንህዝብና ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት ኣሕዋትና መጋርያ ኲናት ክኣጉደልና ይሸባሸብ ኣሎ\" ይብል። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ \"ነዚ ንጥፍኣትና ዝህረም ዘሎ ነጋሪት ኲናት ደው ከብል ድምጽና ክነስምዕ 'እምቢ ንዂናት እወ ንሰላም' ክንብል እዋኑ ዝጠልቦ ግዴታ ኣሎና\" ብምባል፡ ኲናት ንኤርትራ ኮነ ነቲ ዞባ ዕንወጥ ጥራይ ከምዘስዕብን ክኹነን ከምዝግበኦን ይገልጽ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣብ ዝገበረሉ፡ ናብ መዓስከር ታዓሊም ሳዋ ምብጽሑ ዝዝከር'ዩ። ብዘይካ ፕረዚደንት ካቢላ ካልኦት መራሕቲ ካልኦት ሃገራት ናብ ሳዋ ክበጽሑ ልሙድ ኣይኮነን። ምስዚ ተኣሳሲሩ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን 'ኣንጻር ህወሓት ይተሓባበሩ ኣለዉ' ዝብል ግምታዊ ትንታነ ኣሎ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53682892"} {"headline":"ኣብ ኡጋንዳ ፍሉጥ ሙዚቐና ድሕሪ ምእሳሩ ብዝላዕለ ናዕቢ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም","content":"ትማሊ፡ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞ ሰለስተ ሰባት ክሞቱ እንከለው ካልኦት ብዙሓት ከምዝቆሰሉ ፖሊስ እታ ሃር ኣፍሊጡ። እቲ ናዕቢ፡ ፍሉጥ ኡጋንዳዊ ሙዚቀኛን ፓለቲከኛን: ቦቢ ዋይን ጎስጓስ ምርጫ ክገብር እንከሎ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምስ ኣተወ'ዩ ተወሊዑ። እቲ ካብ ፖሊስ ዝተዋህበ ወግዓዊ ጸብጻብ፡ እቶም ሰለስተ ሰባት ብኸመይ ከምዝሞቱ ኣየነጸረን። እንተኾነ፡ ገለ ሰባት ሃለዋቶም ኣጥፊኦም ነብሶም ብደም መሊኡ ኣብ ጎደና ተደርቢዮም ዝርኢ ምስልታትን ተንቀሳቓሲ ቪድዮታትን ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ተዘርጊሑ'ሎ። እቶም ሰባት ብጥይት ተረሺኖም ክኾኑ ከምዝኽእሉ'ውን ይዝረብ ኣሎ። ካልኦት 30 ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ዕግርግር ከቢድን ፈኲስን መጉዳእቲ በጺሕዎም ከምዘሎ እቲ ዝወጽአ ሓበሬታ የርድእ። ኣብ ርእሰ ከተማ፡ ካምፓላን ካልኦት ከተማታትን ድማ ቦቢ ዋይን ካብ ቤት-ማእሰርቲ ክፍታሕ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፍታት ይካየድ ኣሎ። ንሱ፡ ብሃገራዊ ቦርድ ምርጫ እታ ሃገር ዝወጽአ መምርሒታት ኮሮናቫይረስ ጥሒስካ ተባሂሉ'ዩ ኣብ ቀይዲ ኣቲዩ ዘሎ። ጠበቓታቱ ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ፡ እቲ ንፕረዚደንታዊ ምርጫ ዝወዳደር ሙዚቐኛ: ጂንጃ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ተኣሲሩ'ሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ካልእ ኣባል ተቃዋሚ ሰልፊ'ውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣቲዩ'ሎ። ኡጋንዳ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክተካይድ ትሸባሸብ ኣላ። እቲ ዝካየድ ዘሎ ጎስጓሳት ምርጫ ግን ብመምርሒታት ኮሮናቫይረስን ዕግርግን ተሓሚሱ ይርከብ። ቦቢ ዋይን መን እዩ? 'ኣፍሮ ቢት' ብዝበሃል ቅዲ ሙዚቃ ዝጻወት ፍሉጥ ኡጋንዳዊ ቦቢ ዋይን፡ ዋላ እኳ ኣብታ ሃገር ልዑል ተቐባልነት እንተሃለዎ፡ ምስ መንግስቲ ሙሴቬኒ ዓይንን ሓመድን ካብ ዝኸውን ዓመታት ኣቑጺም ኣለው። ምስ ሙዚቃ ዝነበሮ ህይወት ብምግዳፍ፡ ናብ ህዝባዊ ፖለቲካ ምስተጸንበረ'ውን፡ ኣባል ቤት ምኽሪ ኮይኑ ካብ ዝምረጽ፡ ነቲ ባይቶ ከጨንቖ ጸኒሑ እዩ። እዚ ዉሩይ ደራፊ ኣፍሮ ቢት፡ ኣብ መጀመርታ ዓመት 2000 ናብ ሙዚቃ ዓለም ዝተጸምበረ ኮይኑ፡ ነቲ ዓዉዲ ከም \"መዘናግዕን መምሃርን\" ክብል ይገልጾ። ቦቢ ዋይን፡ ኡጋንዳዉያን ኣንጻር ብልሽውናን ዘይፍትሓዉነትን ኣብ ምቅላስ ክዓስሉ ክለዓሉ'ዩ ዝጽውዕ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/54942193"} {"headline":"ኣብ ቤላሩስ ኣንጻር ፕረዚደንት እታ ሃገር ዘቕነዐ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ","content":"ኣብ ቤላሩስ ብመወዳደርቲ ፕረዚደንት ዝተወደበ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝሳተፍዎ ዘለዉ ሰላማዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ። ቭያሳ ዝተበሃለ ጉጅለ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብቲ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዝኾነት ከተማ ሚኒስክ ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ልዕሊ 60,000 ሰባት ይሳተፉ ምህላዎም ገሊጹ። እቲ ሰለማዊ ሰልፊ፡ በታ ኣንጻር እቲ ነታ ሃገር ንነዊሕ ዓመታት ዝመርሕ ዘሎ ፕረዚደንት ትወዳደር ዘላ ስቨትላና ቲካኖቭስካያ እዩ ተወዲቡ። ፕረዚደንት ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሸንኮ ንሻድሻይ ግዜ ኣብ ስልጣን ንክጸንሕ ከምዝወዳደር ምስ ኣፍለጠ እዩ፡ እዚ ህዝባዊ ተቓውሞ ተላዒሉ። ፕረዚደንት ኣሌክሳንደር ሉካሸንኮ ኣብ 1994 ናብ ስልጣን ምስ ደየበ፡ ነታ ሃገር ገባርን ሓዳግን ኮይኑ እዩ ዝመርሓ ዘሎ። ነዚ ሰልፊ ዝወደበት ስቨትላና ቲካኖቭስካያ፡ ብዓል ቤታ ኣብ ፕረዚደንታዊ ውድድር ከይሳተፍ ተኣጊዱ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ምስ ተኣሰረ’ያ፡ ኣብቲ ፕረዚደንታዊ ውድድር ክትሳተፍ ወሲና። እቶም ኣብቲ ሰልፊ ተቓውሞ ዝተሳተፉ ኣሽሓት ሰባት፡ ነቲ ፕረዚደንት ዝቃወም ጭርሖታት ሒዞም’ዮም ናብ ጎደና ወጺኦም። ስቨትላና ቲካኖቭስካያ “ሰለማዊ ናብራ ክነብር ዝመረጸ ሰብ ገበነኛ ኣይኮነን፡ ሰላምን ለውጥን ዝጠለበ ሰብ’ውን ከምኡ” ድሕሪ ምባል፡ ነቲ ፕረዚደንት ድማ “ኣንጻር ሕልናኻን ኣንጻር ህዝብኻን ኣይትስራሕ” ኢላቶ። መንግሰቲ፡ ንብዓል ቤት ስቨትላና ቲካኖቭስካያ ዝኾነ ፍሉጥ ፖሎቲከኛ ስያርነህ ቲሲክሃኖስኪ ምስ ‘ዕሱባት’ ሩስያውያን ብምዃን፡ ኣብታ ሃገር ዕግርግር ክፍጽም ሓሲቡ ዝብል ክሲ እዩ ኣቅሪብሉ፡ ንሱ ግን ነቲ ነገር ከምይውዓሎ ሓቢሩ እዩ። መንግስቲ ሩስያ ብወገኑ፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ኢዱ ከምዘየእቱ ብምሕባር፡ ንመንግስሪ ቤላሩስ ተወሳኺ መብርሂ ክህቦ ሓቲቱ ኣሎ። ዋና ጸሓፊ ጸጥታ ቤላሩስ ኣንድሬ ራውኮው ኣብቲ ‘ንምረጹኒ’ ዝግበር ምትእኽኻብ ናይ ህዝቢ ዕግርግር ንምፍጣር፡ ኣስታት 200 ሩስያውያን ናብታ ሃገር ከምዝኣተዉ ብምርመራ ከምዝተረጋገጸ ሓቢሩ። ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሩስያ ዝኾነ ዲመትሪ ፔስኮቭ ትማሊ ንጋዜጤኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ኣብ ቤላሩስ 33 ዜጋታትና ተኣሲሮም ምህላዎም ፈሊጥና ኣለና። እንተኾነ ናብ ማእሰርቲ ከቃልዖም ዝኽእል ዘይሕጋዊ ነገር ምፍጻሞም ክነረጋግጽ ኣይከኣልናን” ኢሉ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53605288"} {"headline":"ፕረዚደንት ናይጄርያ ንተቓወምቲ ሰልፈኛታት ፃውዒት ሰላም ኣቕሪቡ","content":"ፕረዝደንት ናይጄርያ ሙሃመዱ ቡሃሪ ኣብ ንግዳዊት ከተማ ሌጎስ ብፖሊስ ዝፍፀም ጭካነ ዝምርምር ሰብሞያ ሕጊ ዘካተተ ጉጅለ ሎሚ ስራሕ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ፃውዒት ሰላም ኣቕሪቡ። ሰልፈኛታት: ነቲ ኣብ ሌጎስ ብፖሊስ ዝተፈፀመ ቅትለት ዝምርምር ዘይሻራዊ ጉጅለ ክጣየሽን ነቲ ቅትለትን ዓመጽን ዝፈጸሙ ኣባላት ፖሊስ ድማ ክሕተቱ ይጠልቡ ነይሮም። ነቶም ብፖሊስ ዝተፈላለዩ ብድዐ ዝበፅሖም ውልቀሰባት መንግስቲ ካሕሳ ክኸፍሎም ድማ ሓቲቶም። ኣብ ናይጄርያ ካብ ሞንጎ ዘለዉ 36 ግዝኣታት፡ ሌጎስ ዘይሻራዊ ጉጅለ መርመራ ብምጥያሽ ሰባት ዘለዎም ቅሬታታት ክሕብሩ ዝገበረት ፈላመይቲ ከተማ እያ። ፕረዚደንት ቡሃሪ ድማ ነቲ ጉጅለ መርመራ ድጋፍ ከምዝገብር ገሊፁ። ቤት-ፅሕፈት እቲ ፕረዚደንት ኣብ ሌጎስ ብዛዕባ ዝተፈፀመ ጭካነ ዝተመልኦ ስጉምቲ ፖሊስ መረዳእታ ተዳልዩ ክሳብ ዝቐርብ፡ ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ርኢቶ ካብ ምሃብ ከምዝቑጠብ ኣፍሊጡ ኣሎ። \"እቲ ፕረዚደንት፡ ሰላም፣ ሕውነትን ሓልዮትን ኣብቲ ማሕበረሰብ ክቕፅል ይሓትት\" ዝበለ እቲ ቤት-ፅሕፈት፡ \"ንሕድሕዶም ብፅልኢ ንከይረኣኣዩ\" ፀዊዑ። ፕረዝደንት ቡሃሪ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞን ዓመፅን 69 ሰባት ከምዝሞቱን እቶም 51 ንፁሃት ዜጋታት ከምዝኾኑን ሓቢሩ። እንተኾነ፡ ንጭካነ ፖሊስ ብምቅዋም ኣብ ናይጄርያ ተቓውሞታት ዘካይዱ ዘለዉ ወደብቲ ወፍሪ #EndSARS ድማ፡ መራሕትን ኣማኸርትን እቲ ወፍሪ ንምምራፅ ምንቅስቓስ ጀሚሮም ኣለዉ። ሓደ መንነቱ ዘይተገለፀ ጉጅለ፡ መረፃ ከምዝካየድ ዝሓበረ እንትኾን፡ እቲ መረፃ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ብዝምላእ ቅጥዒ ከምዝካየድ ተገሊፁ። ናይጄርያውያን ከኣ ነዚ ብመገዲ ጉግል መረፃ ዝካየደሉ ቅጥዒ፡ ብዋስኣፕ ይቀባበልዎ ኣለዉ። መራሕትን ኣማኸርትን ግዝኣቶምን ፌደራልን ንክመርፁ ጎስጓስ ይግበር ከምዘሎ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ፀብፂበን። እቲ ቅጥዒ ስሙያት ሰባት፣ ጠበቓታትን ተንተንቲ ፖለቲካን ከምዝሓዘ ተገሊፁ። ኣብቶም ዝሓለፉ ቀዳመ ሰናብቲ ኣብ ናይጄርያ ዝምታ (ስርቂ) ዝተፈፀመ እንትኸውን፡ ፖሊስ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ናይጄርያውያን ኣብ ቀይዲ ኣእትዮም ኣለዉ። እቶም ውልቀ ሰባት ሎሚ መዓልቲ ናብ መጋባእያ ቀሪቦም ክሲ ክምስረተሎም ትፅቢት ይግበር።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54694036"} {"headline":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብዝተወለዐ ናዕቢ፡ ዛጊድ 81 ሰባት ተቐቲሎም","content":"ቅትለት ውሩይ ኢትዮጵያዊ ስነ-ጥበባዊ ቋንቋ ኦሮሞ፡ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኦሮምያ ተቓውሞታት ቀጺሎም ውዒሎም። ዛጊድ ድማ 81 ሰባት ከምዝተቐትሉ ፖሊስ ኦሮምያ ኣረጋጊጹ። ኮሚሽነር ጄኔራል፡ ኮሚሽን ፖሊስ ኦሮሚያ ኣራርሳ መርዳሳ ኣማሲኡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰለስተ ኣባላት ፖሊስን 78 ንጹሃት ሰባትን ብጠቕላላ 81 ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣረጋጊጹ። እቶም ሸውዓተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዮም ተቀቲሎም። ውሃቢ ቃል ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ጌታቸው ባልቻ ቅድም ከብል ከምዝሓበሮ፡ ድሕሪ ቅትለት ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብዝተወለዐ ናዕቢ ልዕሊ ሓምሳ ሰባት ሞይቶም። ብዙሓት ሰለማውያን ሰባት ከምዝቆሰሉ’ውን ኣይተ ጌታቸው ወሲኹ ሓቢሩ። እቶም ዝተቐትሉ፡ ኣብ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ዝሳተፉ ዝነበሩ ሰልፈኛታትን፡ ኣብ ምኽባር ጸጥታ ዝነበሩ ኣባላት ጸጥታን ምዃኖም ገሊጹ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኦሮሚያ ናይ ንግዲ ትካላትን ቤት ዕዮ መንግስትን ከምዝተቓጸሉ'ውን እቲ ውሃቢ ቃል ተዛሪቡ። ኣይተ ጌታቸው ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ \"ነዚ ኣይተዳለውናን ነይርና” ክብል ተዛሪቡ። ቀብሪ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ጽባሕ ኣብ ኣምቦ ከምዝፍጸም ተገሊጹ'ሎ። እቲ ድሕሪ ሞት ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ኦሮሚያ ዝተልዓለ ናዕብታት ሎሚ'ውን ቀጺሉ ኣሎ።ኣብ ከተማ ኣምቦ ድማ ወጥሪ ነጊሱ እዩ ዘሎ። ውሩይ ኢትዮጵያዊ ስነ-ጥበባዊ ቋንቋ ኦሮሞ፡ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ሰኑይ ምሸት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብጥይት ምስተቐትለ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኦሮሚያ ተቓውሞታት ተወሊዖም። ትማሊ ሮቡዕ፡ ኣብ ከተማ ኣዳማ ሓሙሽተ ካልኦት ክልተ ሰባት ድማ ኣብ ከተማ ጪሮ ብጥይት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ ነይሩ። እቲ ውሩይ ሙዚቀኛ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወረዳ 4፡ 'ገላን ኮንዶሚንየም' ኣብ ዝተባህለ ቦታ ከም ዝተቐትለ፡ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ። ብመሰረት ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ምስ ቅትለት እቲ ደራፋይ ተታሒዙ ክልተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተው ተገሊጹ። ብኻልእ ወገን፡ ጃዋር መሓመድ ዝርከቦም 35 ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ምህላዎም ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ሓቢሩ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53250919"} {"headline":"ጓቲማላ፡ ሰልፈኛታት ንቤት ጽሕፈት ባይቶ'ታ ሃገር ብሓዊ ኣቃጺሎሞ","content":"ኣንጻር መንግስቲ ጓቲናላ ተቓውሞታት ዘካየዱ ኣማኢት ሰልፈኛታት ንገለ ክፋል ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ እታ ሃገር ብሓዊ ድሕሪ ምቅጻሎም ብሓይሊ ፖሊስ ከምዝተበተኑ ተገሊጹ። እቶም ሰልፈኛታት ነቲ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ጓቲማላ ሲቲ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ብሓዊ ከቃጽልዎ እንከለዉ ቀዳም ብምንባሩ ኣብ ውሽጢ እቲ ህንጻ ዝኾነ ሰብ ከምዘይነበረን እቲ ሓዊ ድሕሪ 10 ደቓይቕ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝውዓለን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ነቲ ባርዕ መጥፋእቲ ሓዊ እኳ እንተተቆጻጸርዎ፡ በቲ ዝነበረ ብርቱዕ ትኪ ብዙሓት ሰባት ብትኪ ከምዝተዓፈኑ እንተኾነ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘየጋጠመ ተፈሊጡ። እቶም ሰልፈኛታት ነቲ ብባይቶ እታ ሃገር ብረቡዕ ዝጸደቐ ዓመታዊ ባጀት ንምቅዋም እዮም ተቃውምኦም ዘስምዑ ነይሮም። እዛ ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ እትርከብ ሃገር ሓንቲ ካብተን ብኮቪድ 19 ቁጠባዊ ሃስያ ዝወረደን ሃገራት እያ። እቶም ሰልፈኛታት ነቲ ብሰንኪ ኮቪድ 19 ዝተሃሰየ ቁጠባ ንምሕዋይ ብምባል ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ እታ ሃገር፡ ንዓበይቲ ትካላትን ነተን ምስ መንግስታዊ መሓውራት ርክብ ዘለወን ትካላትን ቀዳምነት ብምሃቦም እዮም ቁጠዐኦም ክገልጹ ናብ ጎደናታት ጓቲማላ ሲቲ ወጺኦም። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ትምህርትን ጥዕናን ዝስላዕ ዝነበረ ባጀት’ውን ብምንካዩ ነቶም ሰልፈኛታት ካብ ዘነደሮም’ዩ። እቶም ሰልፈኛታት ካልእ ካብ ዘማረርሉ ጉዳይ “መላእ እታ ሃገር ብኢታን ሎታን ዝተብሃሉ ህቦቡላታት ብኸቢድ ተሃስያ እንከላ ኣባላት ባይቶ ነቲ ብሰንኪ እዚ ክልተ ተኸታታሊ ህቦብላታት ዝዓነወ ትሕተ ቅርጽን ዝተሃሰዩ ዜጋታትን ኣብ ግምት ከይእተዉ’ዮም ባጀት ኣጽዲቖም” ዝብል እዩ። እቶም ሰልፈኛታት ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣለጃንድሮ ጊያማታይ ካብ ስልጣኑ ክወርድ’ዮም ዝጠልቡ ዘለዉ። ብዙሓት ሰባት እቲ ብቀዳም ኣንጻር ውሳነ ባጀት ባይቶ እታ ሃገር ኣብ ርእሰ ከተማ ጓቲማላ ሲቲ ዝተኸየደ ሰልፊ፡ ነቲ ብዝሒ ኣብቲ ሰልፊ ዝተሳተፈ ሰብ ኣብ ግምት ብምእታው ‘ሰለማዊ እዩ’ ነይሩ ኢሎም እዮም ገሊጸሞ። ምክትል ፕረዚደንት እታ ሃገር ጉሊሞ ካስቲሎ ኣቐድም ኣቢሉ ብዛዕባ እቲ ብረቡዕ ዝጸደቀ ባጀት ተዋውሞ ከምዘለዎ ብምግላጽ ንሱን ፕረዚደንት ኣለጃንድሮ ጊያማታይ ‘ንሃገር ክብሉ’ ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ከምዘለዎም ገሊጹ ነይሩ እዩ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55033476"} {"headline":"ቀዳማይ ሚነስትር ሱዳን ‘ለውጢ ኣጓቲቶም’ ንዝበሎም 4 ሚኒስተራት ኣባሪሩ","content":"ኣብቲ ዝሓለፈ መወዳእታ ወርሒ ሰነ መናእሰይ ሱዳን፡ ኣብታ ሃገር በቲ ተጀሚሩ ዝተብሃለ ለውጢ ዕጉባት ዘይምዃኖም ብሰላማዊ ሰልፊ ተቓውሞታት ኣስሚዖም ነይሮም። ድሕሪ’ዚ ድማ፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ሱዳን ዓብደላ ሃምዶክ፡ ነቲ ለውጢ ኣጓቲቶም ኢሉ ዝሓመዮም ኣርባዕተ ቀንዲ ሚኒስትራት ሰጒጉ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንሚኒስተር ጥዕና ከባርሮ እንከሎ፡ ካብ ሚኒስተራት ፋይናንስ፣ ጉዳያት ወጻኢን፡ ጸዓት (ኢነርጂ)ን ድማ ናይ ስራሕ መልቀቒ ደብዳበ ተቐቢሉ ኣሎ። እታ ሃገር ኣብዚ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብኮሮናቫይረስ ካብ ዝተሃሰያ ሃገራት ሓንቲ ኾይና፡ ቁጠባኣ ቅድም ኢሉ’ውን ኣንቆልቊሉ እዩ ጸኒሑ ይብሉ ተዓዘብቲ። ነቲ ናይ መሰጋገሪ ጥምረት መንግስቲ ዝመርሕ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት’ውን ንላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊስን ምኽትሉን ኣባሪሩ እዩ። ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑማር ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ካብ ዝእለ እነሆ ሓደ ዓመት ኮይንዎ’ሎ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53357269"} {"headline":"ግብጻውያን ሰልፈኛታት፡ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ካብ ስልጣኑ ክእለ ሓቲቶም","content":"ፕረዚደንት ኣብዱል ፈታህ ኣል ሲሲ ከም ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ ብ2014፡ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር ናይ ፈለማ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣተኣናጊዱ። ፖሊስ ተቓወምቲ ንምብታን መንብዒ ጋዝ ተጠቒሙ ድማ ተባሂሉ። ብኣማኢቲ ዝቑጸሩ መናእሰይ ግብጻውያን፡ ነታ ኣብ ናይ 2011 ናዕቢ ግብጺ፡ ወሳኒት ተገይራ ኣብ እትውሰድ 'አደባባይ ታህሪር' ብምውጻእ፡ እቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ክወርድ ሓቲቶም። ኣብ ካልኦት ከባብታት ግብጺ ድማ ተመሳሳሊ ተቓውሞታት ተኻይዶም ተባሂሉ። እቲ ሰልፍታት ተቓውሞ ብቐንዱ፡ 'ፕረዚደንት ኣልሲሲ ብልሽውና ፈጺሙ' ምባሉ ስዒቡ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ሞሓመድ ዓሊ ዝተብሃለ ፍሉጥ ግብጻዊ ባዓል ሃፍትን ተዋሳእን፡ እቲ ፕረዚደንት ብሚልዮናት ዝቑጸር ዶላር ንሆቴልን ካሊእ መጋየጽታትን እንተውዕል ዘርእይ ብተንንቀሳቓሲ ምስሊ [ቪድዮ] ዝተደገፈ መረዳእታት ብማሕበራዊ ሚድያ ኣቢሉ ከቃልሕ ቐንዩ እዩ። እቲ ፕረዚደንት እዚ ዝገብር ዘሎ፡ ሚልዮናት ግብጻውያን ኣብ መዓሙቕ ድኽነት እናሃለዉ እዩ ተባሂሉ። እቲ ፕረዚደንት ግን እቲ ዝቐረቦ ክሲ፡ 'በለካ ለኽዐካ' ክብል ይነፅጎ። እቶም፡ ንፕረዚደንት ኣልሲሲ ተቓዊሞም ኣብ አደባባይ ታህሪር ዝወጽኡ ሰልፈኛታት፡ 'ኣል ሲሲ ውረድ'፣ 'ህዝቢ ኣይደልየካን' ወዘተ ዝብሉ ነቲ ፕረዚደንትን ንሱ ዘቖሞ ስርዓትን ዘነኣእሱ ጭርሖታት ሒዞም እዮም ወጺኦም። ፖሊስ፡ ዘንብዕ ጋዝ ተጠቒሙ ነቶም ሰልፈኛታት ንምብታን ጻዕሪ'ኳ እንተተገብረ፡ ኣደባባይ ታህሪር ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ከተማ ካይሮን እታ ሃገርን እቲ ተቓውሞ በርቲዑ ተራእዩ። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ዝኾነ፡ ተንታኒ ፖለቲካ እቲ ዞባ ሳሊ ነቢል፡ እዚ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ከምኡ ዓይነት ዓመጽ ዝሕሰብ ኣይነበረን ኢሉ። ከም ጸብጻብ ኣልጀዚራ ግን፡ እቲ ዓመጽ ኣብታ ታሪኻዊትን ካብ ካይሮ ቀጺላ ዓባይ እትበሃል ከተማ ኣሌክሳንደርያን ከምኡ ውን ኣብ ከተማ ስዌዝ ተመሳሳሊ ሓያሎ ሰልፍታት ተቓውሞ ተራእዮም'ዮም። ፕረዚደንት ኣልሲሲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መናእሰይ ኣኪቡ፡ ኣብ 2011 ኣብ ግብጺ ናዕቢ እንተዘይለዓል ኢትዮጵያ ጥር ትብል ግድብ ኣይምሰርሐትን ኢሉ ምዝራቡ ዝዝከር እዩ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49779730"} {"headline":"ብቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ ዝተጠርጠሩ ፖሊስ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም","content":"ኣብ ሚንያፖሊስ ብቅጥለት ጆርጅ ፍሎይድ ዝተጠርጠረ ደሬክ ቻዋቪን ትማሊ ናብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቀረበሉ መጠን ዋሕሱ 1.25 ሚልዮን ዶላር ክኸውን ቤት ፍርዲ በይኑ። ኣኽባሪ ሕጊ ነቲ መጠን ካብ ሓደ ሚልዮን ዶላር ናብ 1.25 ሚልዮን ዶላር ክብ ከብሎ ዝደረኾ ብምኽንያት ትረት ናይቲ ገበንን ነድሪ ህዝብን ምዃኑ ገሊጹ። ደሬክ ቻዋቪን ቀሪብሉ ዘሎ ክሲ ካልኣይ ደረጃ ቅጥለት ኮይኑ ብሕልፈተ ትንፋስ እዩ ዝኽሰስ ዘሎ። እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰለስተ ፖሊስ ከኣ ንቀታሊ ብምትሕብባርን ብምትብባዕን ተኸሲሶም ኣለዉ። ቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ መላእ ዓለም ናዕቢ ብምልዓል ኣብ ኣሰራርሓ ፖሊስ ምምሕያሽ ንክግብር ደሪኹ'ዩ። ደሬክ ቻዋቪን፡ ብግንቦት 25 ነቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ኢዱ ንድሕሪት ተሞቒሑ ዝነበረ ጅርጅ ፍሎይድ ኣብ ክሳዱ ንኣስታት 9 ደቃይቕ ብብርኩ ምስ ጸቀጦ እዩ ሞይቱ።ብድሕሪ እዚ ደሬክ ቻዋቪን ምስቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰለስተ ፖሊስ ካብ ስራሕ ተሰጒጉ። ድሒሩ ህዝባዊ ናዕቢ ስለዝሰዓበ ግን ደሬክ ቻዋቪን ምስ ብጾቱ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። ን19 ዓመታት ፖሊስ ኮይኑ ዘገልገለ ደሬክ ቻዋቪን ቃል ክሱስ'ውን ከስምዕ ዕድል ኣይተዋሃቦን፡ እቲ ፍርዲ'ውን ብ'ቴለኮንፈረንስ' እዩ ተኸታቲልዎ። ኣብቲ 15 ደቃይቕ ዝወሰደ መስርሕ ቤት ፍርዲ ደሬክ ቻዋቪን ኢዱ ብሙቁሕ ተኣሲሩ፡ ኣራንሾኒ ናይ እሱራት ኮምብላስዮኒ ለቢሱ ኣብ ሓደ ጣውላ ኮፍ ኢሉ መስርሕ ቤት ፍርዲ ከምዝከታተል እዩ ተገይሩ። ዳኛ ጅያነስ ኤም ረዲንግ፡ ደሬክ ቻዋቪን ክሳብ ብገበኑ ፍርዲ ዝውሃቦ ዋሕስ ናይ 1.25 ሚልዮን ዶላር ብዘይቅድመ ኩነት ዋሕስ ከቅርብ እያ ውሳነ ኣሕሊፋ፡ ጠበቅኡ'ውን ነዚ ብይን ብዘይተቃውሞ'ዩ ተቐቢልዎ። ወዲ 44 ዓመት ደሬክ ቻዋቪን ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክቀያየር ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ሚኒያፖሊስ ዝርከብ 'ኦክ ፓርክ ሀይትስ' ኣብ ዝብሃል ቤት ማእሰርቲ እዩ ተቀይዱ ዝርከብ። ደሬክ ቻዋቪን ን29 ሰነ ዳግማይ ናብ ቤት ፍርዲ ክቀርብ ቆጸራ ተታሒዝሉ ኣሎ። ደሬክ ቻዋቪን ሰለስተ ዓይነት ክሲ እዩ ቀሪብዎ ዘሎ፤ ብዘይድሎ ዝተገበረ ካልኣይ ደረጃ ቅትለት፤ ሳልሳይ ደረጃ ቅትለትን ብካልኣይ ደረጃ ሕልፈት ህይወትን ዝብል ኮይኑ ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ በቲ ቀዳማይ ክሲ 10 ዓመታት፤ በቲ ካልኣይ ክሲ 25 ዓመታት በቲ ሳልሳይ ክሲ ድማ 40 ዓመታት ማእሰርቲ ከፍርዶ ይኽእል እዩ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52975296"} {"headline":"ንወዲ 75 ዓመት ሰልፈኛ ጎኒጾም ዘውደቑ ክልተ ፖሊስ ኣመሪካ ተኸሲሶም","content":"ክልተ ፖሊስ ኣመሪካ ነቶም ወዲ 75 ዓመት ሽማግለ ሰልፈኛ ብሓይሊ ደፊኦም እንተውድቕዎም፡ ዝተቐርጸ ተንቀሳቓሲ ምስሊ የርእይ። እቶም ሽማግለ በቶም ፖሊስ ተደፊኦም ምስወደቑ መጠነኛ ጉድኣት በጺሑዎም እዩ። ኣሮን ቶርጋልሰኪን ሮበርት ማካቤን ዝተብሃሉ እዞም ኣባል ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ኣመሪካ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ብዋሕስ እንተወጹ'ኳ፡ ካሳብ 7 ዓመት ማእሰርቲ ክፍረዶም ከምዝኽእል እዩ ዝዝረብ ዘሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ፡ ማርቲን ጉጒኖ ዝተብሃሉ እዞም ሽማግለ ሰብኣይ ምስ ተደፍኡ፡ ንድሕሪት ብርእሶም ጻሕ ኢሎም ከምዝወደቑ እዩ ዝዝረብ ዘሎ፤ ደም ድማ ከይድዎም። ሕዚ እቶም ሽማግለ ኣብ ሓደ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሆስፒታል ሓገዝ እናተገበረሎም ይርከብ። እቶም ፖሊስ፡ ንቅትለት ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ስዒቡ ዝተላበዐ ናዕቢ ኣብ ምብታን እዮም ተዋፊሮም ነይሮም። እቶም ክልተ ኣባላት እቲ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ፡ እቲ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ምስተዘርገሐ ካብ ስርሖም ክእገዱ ተገይሩ እዩ። ነዚ ስዒቡ ድማ፡ 57 ኣባላት እቲ ፍሉይ ሓይሊ 'ቡፋሎ': ነቲ ውሳነ ብምቅዋም ካብ ስርሖም ለቒቖም። ትማሊ ቀዳም ድማ፡ ልዕሊ 100 ፖላዊስን ሰራሕተኛታት ምክልኻል ባርዕን፡ ነቲ ክሲ ብምቅዋም ድምጾም ኣስሚዖም። ዓቃቢ ሕጊ እታ ግዝኣት፡ ጆን ፍሊን፡ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ኩነታት ከመይ ከምዝተፈጸመ ኣብሪሁ። እቶም ፖላዊስ፡ እቲ ጎደና ካብ ዝኾነ ሰልፈኛ ነጻ ክገብሩ ትእዛዝ ዘውረደሎም ኮሚሽነር ፖሊስ እዩ ሓላፍነት ክወስድ ዘለዎ ዝብል ሓሳብ'ውን ይወሃብ ኣሎ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52953741"} {"headline":"ኣብ ርእሰ ከተማ ቺለ እዋን ህጽጽ ግዜ ተኣዊጁ","content":"ኣብ ርእሰ ከተማ ቺለ ሳንድያጎ፡ ዋጋ ትኬት መንገዲ ባቡር ምስወሰኸ ብዝተላዕለ ናዕቢ፡ ናብ ጐንጺ ብምምርሑ እዋን ህጽጽ ግዜ ተኣዊጁ። ዝበዝሑ እቶም ናዕበኛታት፡ ናይ ካልኣይ ደረጃን፤ ተማሃሮ ዮኒቨርስትን ኮይኖም፡ ኣብ ንቑጣታት ባቡር ጉድኣት ብምውራድ፤ ሓዊ ብምውላዕን ከምኡ'ውን ተሸከርከርቲ ብምዕጋትን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተጓዓዝቲ ብዘይ መጐዓዝያ ተሪፎም ከም ዘለው ተገሊጹ። ብተወሳኺ፤ እቶም ተቃውሞ ዝስምዑ ዝነበሩ ናዕበኛታት ኣእማን ክድርብዩን መኻይ ፖሊስ ከቃጽሉን ቴለቨዥን እታ ሃገር ኣቃሊሓ። ነቶም ናዕበኛታት ንምብታን ፖሊስ እታ ከተማ ዘንብዕ ጋዝ ተጠቒሞም፡ እንተኾነ ግን እቲ ናዕቢ ከቋርጽ ኣይከኣለን። እዚ ዓይነት ዕግርግር ነቲ ኣብታ ሃገር ኣብ መንጎ ድኻታትን ሃብታማት ዘሎ ፍልልይ ኣጉሊሑ ከም ዘርኢ ተዓዘብቲ ይዛረቡ። ከተማ ሳንድያጎ 6 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኮይና፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመት ብሰንኪ ክብሪ ዋጋታትን መነባብሮን ብዙሕ ምዕዝምዝማት ነይሩ። ፕረዚደንት ቺለ ሳባስትያን ፒነራ፡ እዚ ዝተዋጀ እዋን ህጽጽ ግዜ፤ ንውሕሰነት ህዝብን ንብረትን ንምውሓስ ከም ዝተወስደ ሓቢሩ፡ ንሱ፡ ነዚ ጸገም ንፍታሕ'ውን ዝርርብ ክካየድ ጸዊዑ። ዝሓለፈ ወርሒ፡ ብሰንኪ ክብሪ ነዳድን ጸዓትን፡ ትኬት መጓዓዝያ ባቡር ብ 1.17 ክውስኽ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ። መንግስቲ ቺለ፡ ነቲ ብናዕበኛታት ዝግበር ዘሎ ምዕናው ንብረትን ጐንጽን ኮኒንዎ'ሎ። እቲ ናዕቢ ንምሉእ ለይቲ እዩ ተኻይዱ። ፖሊስ እታ ሃገርን ሓገግቲ ሕግን ድማ ነዚ ናዕቢ ንምቁጽጻር ዘድሊ ስጉምቲ ክወስዱ መንግስቲ ቺለ ኣዘኻኺሩ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50107023"} {"headline":"ጎንጺ ኦሮሚያ፡ 359 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ኮሚሽነር ፓሊስ ተዛሪቡ","content":"ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ተወሊዑ ዝነበረን ሂወት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ዝቐዘፈን ናዕቢ ብዝተኣሳሰር 359 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቲ ክልል ዝነበረ ኩነታት ናብ ንቡር እናተመለሰ ከምዝኾነን፡ ዝተዓጸው መንገድታት ከም ዝተኸፍቱን፤ ኮሚሽነር ፖሊስ ኦሮሚያ ከፍያለው ተፈራ ንቢቢሲ ገሊጹ። ኣብቲ ዝነበረ ዕግርግር 67 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይፍለጥ። ካብ ሰንበት ጀሚሩ ግን ዝሞተ ሰብ ከምዘየለ እቲ ኮሚሽነር ሓቢሩ። እንተኾነ፤ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ መልዓከ-ህይወት አባ ወልደየሱስ ሰይፉ፡ ኣብቲ ህውከት ኣመንቲ'ታ ቤተክርስትያን ጥራሕ ኣስታት 60 ከም ዝሞቱ ገሊጾም። እዚ ምስቲ ብመንግስቲ እቲ ክልል ዝቐረበ ቁጽሪ ግዳያት ዝጋጮ'ዩ። ሰብመዚ እቲ ክልል ከም ዝበልዎ፡ ክንድኡ ዝኣኽሉ ኣመንቲ ኦርዶክሳዊት ቤተክርስትያን ከም ዘይሞቱ ገሊጾም። ይኹን እምበር፡ እቲ ጎንጺ ሃይማኖታውን ዓሌታውን መልክዕ ከምዝነበሮ ካብቶም ሓለፍቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ይገልጽ። ምስቲ እታ ቤተ ክርስትያን ዘቕረበቶ ቁጽሪ ዝሞቱ ኣመንቲ ተኣሳሲሩ ሕቶ ዝቐረበሉ እቲ ኮሚሽነር፤ \"እቲ ሓበሬታ ዘለና ንሕና ኢና፤ ንሳቶም እቲ ሓበሬታ ካበይ ከምዝረኸቡዎ ኣይንፈልጥን\" ብማለት ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ ሓደ እምነት ፍሉይ መጥቃዕቲ ከምዘይተፈጸመ የረድእ። ከምኡ ድማ፡ ካብ ሰንበት ንደሓር ኣብ ከተማ ሞጆ ሓደ ሰብ፡ ኣብ ባሌ ሮቤ ድማ ክልተ ሰባት ከም ዝሞቱ እቶም ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ተዛሪቦም። እቲ ድሒሩ ዝተፈጸመ ቕትለት፡ ብቐጥታ ምስቲ ዝጸንሐ ናዕቢ ዝዛመድ ይኹን ኣይኹን ንምፍላጥ ኣብ ምጽራይ ይርከብ ኢሎም። እቲ ኮሚሽነር ከምዝበሎ፡ ምስቲ ናዕቢ ተኣሳሲሩ ህይወቶም ካብ ሞንጎ ዝሓለፈ ሰባት፡ እቶም 80 ሚኢታዊ ኣብ ሓድሕዳዊ ጎንጺ፡ እቶም ዝረፉ ድማ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ዝተገብረ ጎንጺ ዝተቐትሉ'ዮም። ድሕሪ'ቲ ጎንጺ፤ ኣብ ከተማ ኣዳማ፡ ብፍላይ ኣብ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ቤተ እምነተታት ጉድኣት ከምዝበጽሐ፤ ማለት ሓደ መስጊድ፤ ሓደ ጴንጠኮስታል ቤተ ክርስትያን፡ ሓደ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶን ከምዝተቓጸሉ እቲ ኮሚሽነር ተዛሪቡ። እቲ ኩነታት ካብ ዓቕሚ ሓይልታት ጸጥታ ንላዕሊ ከምዝነበረን፤ ፖሊስ ነቶም ጎንጽታት ንምህዳእ ብሂወቶም ከይተረፈ መስዋእቲ ከምዝኸፈሉን'ውን ተዛሪቡ። እንተኾነ፡ ገለ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ዘይተመጣጠነ ሓይሊ ተጠቒሞም ከይኾኑ፡ ኣብ ቀይዲ ውዒሎም ምጽራይ እናተገበረሎም ከምዝረከብ'ውን ሓቢሩ። ፖሊስ ምስ ሓደ ወገን ወጊኑ ሰሪሑ'ዩ' ዝብል ወቐሳ እቲ ኮሚሽነር ይነጽጎ፤ ፖሊስ ስርሑ ብሓላፍነት ሰሪሑ ክብል ድማ ይምጉት። ብዘይካ'ዚ ኣብቲ ዝነበረ ጎነጽ፡ መደብራት ንግድን መንበሪ ገዛውትን ከምዝተቓጸሉ'ውን ይዝከር። ብርክት ዝበሉ ጽርግያት ድማ ተዓጽዮም ቀንዮም ነይሮም።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50223315"} {"headline":"ተቓውሞ ግብጺ፡ ኣንጻር መንግስቲ ኣብ ዝተወልዐ ተቓውሞ 'ኣማኢት ተቐይዶም'","content":"ብመንግስቲ ይፍጸም ንዝተበሃለ ብልሽውና ብምቅዋም ኣብ ዝተወለዐ ተቓውሞ ግብጺ፡ ከባቢ 500 ሰባት ከም ዝተቐየዱ ተጣበቕቲ መሰላት ሓቢሮም። ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ከተማታት ካይሮ፣ ኣሌክሳንደርያን ካልኦትን ብዙሓት ሰልፈኛታት ተቓውሞ ዘስምዑ ኮይኖም፡ ብቐዳም ምሸት ድማ ኣብ ደሴታዊት ከተማ ሱውዝ ቀጺሉ። ሰበስልጣን ግብጺ ዛጊት ክንደይ ሰባት ከም ዝተኣሰሩ ዝሃብዎ ወግዓዊ መግለጺ የለን። ፕረዚደንት ዓብደል ፈታሕ ኣል-ሲሲ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፡ ኣብታ ሃገር ተቓውሞ ክስማዕን ክረኣይን ልሙድ ኣይነበረን። ካብ 2013 ጀሚሩ ብዘይ ኣፍልጦ መንግስቲ፡ ልዕሊ 10 ሰባት ኮይንካ ምትእኽኻብ ተኣጊዱ'ዩ። ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሽድሽተ ዓመታት፡ ብዉሕድ 60,000 ኣባላት ምንቅስቓስ ሙስሊም ብራዘርሁድ ከም ዝተኣሰሩ፣ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሞት ከም ዝተፈረዶምን፡ ካልኦት ብዙሓት ደሃዮም ከም ዝተስኣነን ተጣበቕቲ መሰላት ይገልጹ። እቶም ንተቓውሞ ናብ ኣደባባያት ዝወጽኡ ሰልፈኛታት \"ኣልሲሲ ካብ ስልጣንካ ተኣለ\" ከምኡ'ውን \"ህዝቢ እዚ ስርዓት ንኽወድቕ'ዩ ዝደሊ\" ክብሉ ድምጾም ኣስሚዖም። ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ሓያሎ ኣባላት ጸጥታ ዝተዋፈሩ ኮይኖም፡ ኣብ ደሴታዊት ከተማ ሱውዝ ግን ሕጂ'ውን ብዙሓት ሰባት ንተቓውሞ ይተኣኻኸቡ ምህላዎም መሰኻኽር ዓይኒ ተዛሪቦም። ገለ ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝሓበርዎ፡ ትማሊ ሰኑይ፡ ብዙሓት ሰባት ደሃይ ኣዝማዶም ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ብምግላጽ ስልኪ ይድውሉሎም ነይሮም። ሓደ በዓል ሞያ ሕጊ፡ ከባቢ 500 ሰባት ከም ዝተቐየዱን፡ እቲ ቁጽሪ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ክውስኽ ከም ዝኽእልን ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ማእከል ቁጠባን ማሕበራዊ ፍትሕን ግብጺ ዝተበሃለ ዘይመንግስታዊ ትካል ድማ ቁጽሪ ዝተኣሰሩ ሰባት 516 ከም ዝበጽሐ ሓቢሩ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49807045"} {"headline":"ሰብ ሞያ ሕጊ ኣብ ሆስፒታል ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ፓኪስታን ሆስፒታል ላሆር፡ ኣብ መንጎ ሰብሞያ ሕግን ሓካይምን ዝተልዓለ ጎንጺ ስዒቡ ሰለስተ ሕሙማት ሞይቶም። እቶም ሰብሞያ ሕጊ፡ ናብቲ ሆስፒታል ክፍሊ ሕክምና ልቢ ብምእታው ነቶም ሓካይም ክወቕዑን መሳርሒታት እቲ ሕክምና ክድርብዩን ካብቲ ቦታ ዝተረኸበ ኣሰር ቪድዮ የርኢ። በቲ መጥቃዕቲ ዝሰንበዱ ሓካይም፡ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝርከቡ ሕሙማት ገዲፎም ክሕብኡን ክሃድሙን ተገዲዶም። ፖሊስ ነቶም ሰብ ሞያ ሕጊ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ዝተጠቐመ ኮይኑ፡ ከባቢ 20 ዝኾኑ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣውዒሉ እዩ። ነቲ ጎንጺ ንምህዳእ ክልተ ሰዓታት ከምዝወሰደ ሰብመዚ ይዛረቡ። እቶም ሰብሞያ ሕጊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ገለ መሳርሕቶም ግቡእ ክንክን ሕክምና ኣይተገበረሎምን ብምባል ተቓውሞ ኣስሚዖም ነይሮም። እቲ ትማሊ ዝተፈጠረ ጎንጺ፡ ሓደ ሓኪም ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ንሰብ ሞያ ሕጊ ዝላገጽ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብምልጣፉ እዩ። ኣመሓደርቲ እቲ ሆስፒታል ከምዝገለጽዎ፡ 200 ዝኾኑ ሰብሞያ ሕጊ ናብቲ ሆስፒታል ጥሒሶም ብምእታው ኣብ ልዕሊ እቶም ሓካይምን ነቲ ኩነታት ክህድኡ ዝመጹ ሚኒሰተር ሓበሬታ ፋኣዙል ሓሰንን መጥቃዕቲ ፈጺሞም። ብተወሳኺ፡ እቶም ሰብሞያ ሕጊ፡ ኣብ ውሽጢ ሆስፒታል ኣብ ዝነበራ ሆስፒታል መጥቃዕቲ ፈጺሞምን ሓንቲ ናይ ፖሊስ መኪና ኣቃጺሎምን እዮም። ንሞት ዝተፈርደት ኣማኒት ክርስትና ካብ ዓዳ ወጺኣ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝነበራ ሓንቲ ሰበይትን ክልተ ሰብኡትን ድማ፡ እቶም ሓካይም ብምኽንያት እቲ መጥቃዕቲ ገዲፎምዎም ስለዝሃደሙ ከምዝሞቱ ተገሊጹ። ድሕሪ እቲ ኩነታት፡ 20 ሰባት ከምዝኣሰረን ኣብ ልዕሊ 250 ሰባት ክሲ ከምዝመስረተን ፖሊስ ገሊጹ ኣሎ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50775361"} {"headline":"ሬሳ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣበይ ይቀበር ዝብል ምስሕሓብ ይፈጥር","content":"ስነ ስርዓት ቀብርን መሰነይታን ሬሳ አርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ኣብታ ዝተቐተለላ ክፍጸም ኣለዎ ብዝብል ናብ ኣምቦ ዝውሰድ ዝነበረ ሬሳ ኣብ ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ ክምለስ ተገይሩ ናይሩ። እቲ ሬሳ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስተመልሰ፡ ኣብ ከባቢ ማእከል ባህሊ ኦሮሞ እዩ ዓሪፉ ጸኒሑ። ሕዚ ድማ፡ ብሓይልታት ጸጥታ ብሄሊኮፕተር፡ ናብ ጥቓ ከተማ ኣምቦ ዝርከብ 'ሆሚቾ አሙኔሽን ኢንጂነሪንግ ኢንዱስትሪ' መሊሱ ክውሰድ ከምዝተገብረ ተፈሊጡ። ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ አቶ ሽመልስ፡ ኣብ መንግስታዊ ቴሌቪዥን ኦሮምያ ቀሪቡ፡ እቲ ሬሳ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክምለስ ዝተገብረ ካብ ድሌት ስድራ እቲ ኣርቲስት ወጻኢ ከምዝኾነ ተዛሪቡ። ንሱ ከምዝበሎ፡ ስደርኡ ብዝጠለብዎ መሰረት እዩ ሕዚ ናብ ኣምቦ ክምለስ ዝተገብረ። ውሳነ እቲ መንግስቲ ድሌት ስድራ መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ግን፡ ካብ ሳልሳይ ወገን ወይካኣ ካብ ኣባላት ስድራ እቲ ኣርቲስት ኣይተረጋገጸን። እቲ ፕረዚደንት፡ መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ሙሉእ ሓላፍነት ወሲዱ ፡ ስነ ስርዓት ቀብሪ እቲ ኣርቲስት ምስ ቤተ ሰብ ተማኺሩ ከምዛሳልጥ ድማ ወሲኹ ተዛሪቡ። ስሙይ ተወላዲ ኦሮሞ፡ ደራፋይ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ትማሊ ለይቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብጥይት ምስተቐትለ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ክልል ኦሮምያ ሓያሎ ተቓውሞታት ተወሊዖም። ምንጭታት ሆስፒታል ኣዳም ንኤ-ኤፍ-ፒ ከምዘረጋገጽዎ፡ ብርክት ዝበሉ ብጥይት ዝተቐትሉ ናብቲ ሆስፒታል ዝመጽኡ እንትኸውን፡ ዛጊድ ሰለስተ ህይወቶም ስኢኖም ኣለዉ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ከተማ ጭሮ ካብቶም ተቓውሞ ዘስምዑ ክልተ ብጥይት ከምዝተቐትሉ መንግስታዊ ህንጻታት ከምዝተቓጸሉ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ። ምስዚ ብዝዛመድ፡ ፖሊስ ፌዴራል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ስቱድዮ ኔትወርክ ሚዲያ ኦሮሚያ (ኦኤምኤን) ጥሒሱ ብምእታው፡ ጋዜጠኛታት ኣብ ቀይዲ ከምዘውዓለ፡ እቲ ትካል ኣብ ፌስ ቡክ ገጹ ገሊጹ። ቅትለት ናይቲ ኣርቲስት ምስተሰምዐ፡ ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ኦሮምያ ናዕቢ ዝተወለዐ ኾይኑ፡ ኣብ መላእ ሃገር ኣገልግሎት ኢንተርነት ተዓጽዩ ውዒሉ'ሎ። ሓያል ተቓውሞ ካብ ዝተራእየለን ከተማታት ሓንቲ ኣዳማ ኾይና፡ ኣብ ገለ ህንጻታት ጉድኣት ከምዝበጽሐ መሰኻኽር ዓይኒ ይገልጹ። ብተወሳኺ፡ ድምጺ ተቓውሞ ዘስምዑ ሰባት፡ ናብ መደበር ኦ-ቢ-ኤን እንተምርሑ፡ ብሓይልታት ጸጥታ ዝተበተኑን ሓደ ሰብ ከምዝቖሰለን ተገሊጹ። ኣብ ትውልዲ ዓዲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ከተማ ጅማ፡ ድማ ሓያል ተቓውሞ ይስማዕ ከምዘሎ ምፍላጥ ተኻኢሉ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53226773"} {"headline":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ በዝተኸሰቱ ጎንጽታት ዝሞቱ ሰባት 86 ከም ዝበጽሐ ተገሊጹ","content":"ቅድሚ ሰሙን ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ሃረሪን ብዝተወልዑ ጎንጽታት ናይ ዝሞቱ ቁጽሪ ሰባት 86 ከም ዝበጽሐ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። ትማሊ ሰንበት ኣማሲዩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ ሞንጎ'ቶም ዝሞቱ እቶም 76 ብሓድሕዳዊ ጎንጺ ከም ዝተቐተሉ ተዛሪቡ። 10 ድማ ኣባላት ጸጥታ ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ኣረጋጊጹ። ግዳያት ሞት ዝኾኑ ዜጋታት ብብሄር፣ ጾታን ሃይማኖትን ዘርዚሩ ዘቕረበ እቲ ቀዳማይ ሚንስትር፡ 82 ደቂ ተባዕትዮ 4 ደቂኣንስትዮ ምዃኖም ገሊጹ። ከምዚ ዝበለ ጎንጺ ክኽሰት ከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ብሄር ወይ ሃይማኖት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንኹሉ ከም ዝትንክፍ'ውን ኣረዲኡ። \"ዝሓለፉ ጌጋታት ብምእራም ብኻልእ ገጽ ከኣ ሰላምን ድሕነትን ንምርግጋጽ ሕጋውን ተመጣጣንን ስጉምቲ ክንወስድ ኢና\" ኢሉ። ኣብቲ ዝተወለዐ ጎንጺ ኢዶም ዝሓወሱ ኣካላት ከከም መጠን ጥፍኣቶም ተሓተትቲ ከም ዝኾኑ ኣብቲ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ'ሎ። ኣካላት ጸጥታ ኣብ ሰላምን ድሕነትን ህዝቢ ከምኡ'ውን ውሕስና ትካላትን ኢንዳስትሪታትን ብሕጋዊ መገዲ ክሕልዉ ኣተሓሳሲቡ። \"ኣካላት ፍትሒ ነቶም ኣብቲ ጥፍኣት ዝተሳተፉ ዘምህር፤ ንግዳያት ድማ ካሕሳ ዝኸውን ቅልጡፍ ፍትሒ ክህቡ ይግባእ\" ክብል ጻውዒት ኣቕሪቡ'ሎ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50285678"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ስግኣት ዘንጸላለወን ዩኒቨርሲቲታት","content":"ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ምሸት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወልድያ ብዝተፈጠረ ጎንጽን ዘጋጠመ ሞት ክልተ ተምሃሮን፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ክልልት ኣምሓራን ኦሮሚያን ዘለዋ ዩኒቨርሲቲታት ከቢድ ስግኣት ኣንጸላልዩወን ከምዘሎ: ተምሃሮን መምህራንን ንቢቢሲ ሓቢሮም። ብሰንኪ'ቲ ስግኣትን ፍርሕን መስርሕ ትምህርቲ ዝተኣጓጎለን ዩኒቨርሲቲታት ምህላወንን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ክኣትዉ ከምዝተገበረን ፈሊጥና። ትማሊ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደምቢዶሎ ሓደ ተምሃራይ ክቕተል ከሎ፡ ኣብ ካልኦት ዘይምርግጋእ ተፈጢሩ ነይሩ። እቲ ተምሃራይ ብበሊሕ ነገር ተወጊኡ ከምዝተቐተለ ዝዛረብ ምኽትል ፕረዚደንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ዶክተር ቡሊ ዮሃንስ፡ መን ከምዝፈጸሞ ግን ክፍለጥ ኣይከኣለን ኢሉ። ቅትለት ቅድሚ ምፍጻሙ ይኹን ድሕሪኡ ግን: ኣብቲ ዩኒቨርሲቱ ዘጋጠመ ጎንጺ ከምዘይነበረ ገሊጹ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ መደወላቡ [ኦሮሚያ] ድማ: ትማሊ ሰኑይ ኣብ ሞንጎ ተወለድቲ ኦሮሚያን ኣምሓራን ዝኾኑ ተምሃሮ ብዝተወለዐ ጎንጺ፡ ኣብ ልዕሊ 9 ተምሃሮ ጉድኣት ከምዘጋጠመ ፕረዚደንት'ቲ ዩኒቨርሲቲ ዶክተር ኣቡበከር ከድር ንቢቢሲ ሓቢሩ። ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ወለጋን ኣምቦን ተምሃሮ ናብ ክፍሊ ኣትዮም ክመሃሩ ፍቓደኛታት ክኾኑ ብዘይምኽኣሎም፡ ጥቡቕ ሓለዋ ይግበር ምህላዉ ዘዘራረብናዮም ተምሃሮ ገሊጾምልና። ሓደ ናይ ካልኣይ ዓመት ተምሃራይ ከምዝበሎ፡ ኣባላት ጸጥታ ናብ ሓደ ህንጻ ኣትዮም ክጸንሑ ካብ ዝተገበረሉ ዕለተ ሰንበት ናብዚ፡ ብዙሓት ተምሃሮ ኣብ ስግኣትን ፍርሕን ይርከቡ። ዝተፈጠረ ኩነታት ንምርግጋእ ብዝብል ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኦሮሚያ፣ ፖሊስ ፌደራልን ምክልኻል ሃገርን ክኣትዉ ከምዝተገበረ፡ ናይተን ዩኒቨርሲቲታት ተምሃሮን ሓለፍቲ ስራሕን ንቢቢሲ ተዛሪቦም። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ተምሃራይ ሳልሳይ ዓመት ዝኾነን ስሙ ክግለጽ ዘይደለየን ተምሃራይ፡ ተምሃሮ በቲ ኣብ ወልዲያ ዝተፈጸመ ተግባር ተቖጢዖም ሰላማዊ ሰልፊ ንምግባር'ኳ እንተፈተኑ፡ ኣብታ ከተማ ብዝርከብ ፍሉይ ሓይሊ ከምዝተኸልከሉ ገሊጹ። ተቓውሞኦም ድማ መግቢ ብምሕሳም ከምዝገለጹ ወሲኹ ሓቢሩ። ቢቢሲ ዘዘራረቦ መምህር ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ብወገኑ፡ ተምሃሮ ንዘልዓልዎ ቅሬታ፡ በቲ ዩኒቨርሲቲ ዝተወሃበ መልሲ ከምዘየለን ትምህርቲ ተቛሪጹ ምህላዉን ሓቢሩ። \"ንሕና ክንምህር ድልዋት ኢና፤ ሓደ ተምሃራይ ተረጋጊኡ ክመሃር ዝኽእል ግን ስነ-ልቦናዊ ምርግጋእ ክህልዉ ከሎ እዩ\" ኢሉ። ሓሰን ኣሚን ሓሰን፡ ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ ወልዲያ ዝነበረን በቲ ጎንጺ ህይወቱ ዝሰኣነን እዩ። ኣቡኡ ኣይተ ሓሰን ከምዝበልዎ፡ ወዶም ዝተወለደሉ እዋን ኣቦም ካብ ዝሞቱ ድሕሪ ወርሒ ብምንባሩ፡ ንመዘከሪ 'ሓሰን' ዝብል ከምዘውጽኡሉ ይዝክሩ። ብዛዕባ ወዶም ክዛረቡ \"ጸባዩ ሰናይ ነይሩ\" ይብሉ። ብጎረባብቲ፣ ብዘመድ ኣዝማድን ኣብ መስጊድን ምስጉን ቆልዓ ምንባሩ'ውን ይገልጹ። \"ንደቅና ደፍተርን ብርዕን ገዚእና ሰዲድና ከመይ ህይወቶም ሓሊፋ [ኣስከሬኖም] ይለኣኸልና?\" ብምባል ብሞት ወዶም ንፌደራል መንግስቲ ተሓታቲ ይገብሩ። ሞት ወዶም ዝሰምዑ ድማ፡ ኣስከሬን ሒዞምሎም ካብ ዝኸዱ ሰባት ምንባሩ ገሊጾም። ዘዘራረብናዮ ሓደ ተምሃራይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብስግኣት ተሸሚሞም ኣብ ሓደ ቦታ ተኣኻኺቦም ከምዝርከቡ ሓቢሩ። \"ናብ ስድራና ክንምለስ'ዩ ድልየትና\" ዝብል እዚ ተምሃራይ፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ግን ናብ ስድርኦም ክምለሱ ከፍቅደሎም ከምዘይከኣለ ይገልጽ። ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ፡ መስርሕ ምምሃር ምስትምሃር ምሉእ ብምሉእ ዝተቛረጸ ኮይኑ፡ ካብ ክልል ኦሮምያ ዝመጽኡ ተምሃሮ ናብ ዝመፍኡሉ ክምለሱ ብሓባር ሕቶ የቕርቡ ምህላዎም ተፈሊጡ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50400890"} {"headline":"ኢራቕ፡ ቁጽሪ ዝተቐተሉ ሰልፈኛታት ናብ 60 ክብ ኢሉ","content":"ኣብ ኢራቕ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ተቃውሞ ኣንጻር መንግስቲ፡ ቁጽሪ ምውታት ናብ 60 ክብ ከምዝበለ ካብ ሕክምና ዝተረኸቡ ጸብጻባት ሓቢሮም። ኣብ ሞንጎ ፖሊስ ኢራቕን ብሰልፊ ተቃውሞ ንምግላጽ ናይ ዝወጽኡ ህዝብን ብዝተለዓለ ጎንጺ ቅጽሪ ምውታት ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ብዕጽፊ ከም ዝወሰኸ ተነጊሩ። ወተሃደራት ካብ መን ከምዝተተኮሰ ዘይተነጸረ ቀጭ ሕርሙ (ስናይፐር)፡ ኣብ ከተማ ባቕዳድ ክልተ ፖሊስ ዝርከብዎም ኣርባዕተ ሰባት ከምዝቐተለ ኣፍሊጦም። እዚ ተቃውሞ ብሰሉስ ዝጀመረ ኮይኑ፡ ኢራቃውያን ነቲ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ኣሎ ዝብልዎ ሽቕለት ኣልቦነት መንግስቲ ኣቓልቦ ንኽህቦ እዮም ተቃውምኦም ከስምዑ ጀሚሮም። ቀዳማይ ሚኒስተር ዓደል ዓብደል ማህዲ ንሰልፈኛታት \"ሕጋዊ ጠለብኩም ሰሚዕናዮ ኣለና\" ድሕሪ ምባል፡ ሰልፈኛታት ክሃድኡ ጸዊዑ ነይሩ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ዓደል ዓብደል ማህዲ ኣብ ሰልጣን ካብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዝመልኣሉ ዘሎ፡ እዚ እቲ ዝዓበየ ተቃውሞ እዩ ዘጋጥሞ ዘሎ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሰልፈኛታት ክሃድኡ እኳ እንተጸወዐ፡ ኣብ ከተማ ባቅዳድ፡ ዘይእዉጅ ሰዓት እቶእቶ ተኣታትዩ፡ ኢንተርኔት'ውን እንተተቃረጸ ቁጽሪ ሰልፈኛታት ግን ኣይነከየን። ሮይተርስ፡ ፖሊስ ናብቶም ናብ ኣደባባይ ጣሂሪ ዝጽግዑ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ጥይት ይትኵስሎም ከምዝነበሩ ይገልጽ። እቲ ጸብጻብ፡ በቲ ጠያይቲ ገሊኦም ኣብ ርእሶም ገሊኦም ኣብ ከብዶም ዝተሃረሙ ሰልፈኛታት ከም ዝነበሩ ይሕብር። ብመሰረት ካብ ሰብ መዚ ጸጥታን ሕክምናን ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣብ ዓርቢ ጥራይ ብውሕዱ 10 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ተገሊጹ። ክሳብ ሕጂ ሽዱሽተ ኣካላት ጸጥታ ኢራቕ ዝርከብዎም ብውሑዱ 60 ሰባት ከም ዝተቐተሉን ኣማኢት ከም ዝቖሰሉን ክግለጽ ተኻኢሉ ኣሎ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49943831"} {"headline":"ቅልውላው ዒራቕ፡ ተቓወምቲ ንቤት-ጽሕፈት ቆንስል ኢራን ኣቃፂሎም","content":"ዒራቓውያን ተቓወምቲ ኣብ ከተማ ናጃፍ ንዝርከብ ቤት-ጽሕፈት ቆንስል ኢራን ኣቃፂሎም። እቶም ተቓወምቲ ነቲ ቤት-ፅሕፈት ቆንስል እንከቃፅሉ፡ \"ኢራን ካብ ዒራቕ ትውፃእ\" ዝብል ድምፂ ተቓውሞ ኣስሚዖም። ሰራሕተኛታት እቲ ቆንስል፡ ተቓወምቲ ነቲ ቆንስል ሰይሮም ቅድሚ ምእታዎም ከምዘምለጡ፡ ፀብፃባት ሓቢሮም። ኣብ ዒራቕ ይካየድ ዘሎ ፀረ-መንግስቲ ተቓውሞ ካብ ዝጅምር፡ ክልተ ወርሒ ኣቑፂሩ ኣሎ። ኣብዚ ተቓውሞ፡ ኣስታት344 ሰባት ከይተቐተሉ ከምዘይተርፉ ይንገር። ዒራቓውያን ተቓወምቲ፡ ብልሽውና ደው ክብል፣ ዝሐሹ ዕድላት ስራሕ ንክፍጠሩን ኣብያተ-ፅሕፈት መንግስቲ ግቡእ ኣገልግሎት ንክህቡን ይጠልቡ። ኢራን፡ ኣብ ጉዳይ ዒራቕ ኢዳ ብምእታው ንመንግስቲ ዒራቕ ትድግፍን እያ ብምባል ድማ፡ እቶም ተቓወምቲ ይኸስሱ። ቅድሚ ሓደ ዓመት ናብ ስልጣን ዝመፅኡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣደል ዓብዱል ማሃዲ፡ ብዙሓት ለውጥታት ከምዘምፅኡ ዋላ እኳ እንተተመፃብዑ፡ ፡ ኣብ ባይታ ግና ንዝኣተውዎ ቃል ከግህዱ ኣይከኣሉን ክብሉ ተቓወምቲ ይኸስዎም። ቅድሚ ክልተ ወርሒ ዝጀመረ እዚ ናዕቢ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋንኣብ መላእ እታ ሃገር ተላቢዑ፡ ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ዒራቕ፡ ከቢድ ስጉምቲ ይወስዱ ኣለዉ። ኣብቶም ናይ መፈለምታ ሽድሽተ ሰልፍታት ተቓውሞ ጥራሕ፡ 149 ሰባት ተቐቲሎም እዮም። ነዚ ስዒቡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብደል ማሃዲ፡ ካቢኔአም ብምብዋዝ፡ መሃያ ላዕለዎት ሰብ-መዚ ነክዮም፣ ቁፅሪ ሸቕሊ ኣልቦ መንእሰይ እታ ሃገር ንምንካይ ድማ ዝተፈላለዩ መደባት ኣተኣታትዮም። ይኹን'ምበር፡ እዞም ስጉምትታት፡ ንሕቶታትና ዝምልሱ ኣይኮኑን ዝብሉ ዒራቓውያን ተቓወምቲ፡ ኣብ መፈለምታ ወርሒ ጥቅምቲ ዳግማይ ናብ ጎደናታት ካብ ምውፃእ ኣይተቖጠቡን።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50583638"} {"headline":"ሰራዊት ሱዳን ንኣድማ ደገፍቲ ዑመር ኣል-በሽር ዝኾኑ ሓይልታት ጸጥታ ተቖጻጺሩዎ","content":"ሰራዊት ሱዳን ንኣድማ ናይቶም ንፕረዚደንት እታ ሃገር ነበር ዑመር ኣልበሽር ከም ዝድግፉ ዝንገረሎም ሓይልታት ጸጥታ ከም ዝተቖጻጸሮ ኣፍሊጡ። ትማሊ ሰሉስ፡ ኣብ ርእሰከተማ ካርቱም ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ብርቱዕ ናይ ተዂሲ ምልውዋጥ ድሕሪ ምክያዱ ኣብታ ሃገር ናይ ጸጥታ ወጥሪ ሰፊኑ ቀንዩ'ሎ። ጠንቂ ናይቲ ግጭት መጣየሲ ክፍሊት ናይ ገለ ኣባላት ናይቲ ኣዝዩ ዝፍራህ ዝነበረ ትካል ስለያ ምዃኑ ተፈሊጡ። ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምውራዱ እቲ ትካል ለውጥታት ይግበረሉ ከም ዘሎ ይግለጽ። ኣብቲ ዝተፈጥረ ግጭት፡ ክልተ ወታሃደራት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት 4 ቆሲሎም ኣለዉ። እቲ ግጭት ድሕሪ ምውራድ ኣልበሽር ዝተራእየ እቲ ዝኸፍአ ናዕቢ'ዩ ተባሂሉ። ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣባላት ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዝኾነ፡ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ፡ \"ሕመቲ\"፡ እቲ ኣድማ ብሓላፊ ስለያ ነበር ጀነራል ሳላሕ ጎሽ ዝተወደበ'ዩ ነይሩ ክብል ከሲሱ። እቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣበይ ከም ዘሎ ዘይፍለጥ ጀነራል ሳላሕ ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምውራዱ ካብታ ሃገር ከም ዝወጸ ይንገር። ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ፡ ሱዳን ብጀነራላትን ሲቪላውያን መራሕቲ'ያ ትመሓደር ዘላ። ኣብ መንጎ ሰራዊት እታ ሃገርን ተቓወምቲ ፖለቲከኛታትን ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት፡ ንሰለስተ ዓመታት ዝጸንሕ መሰጋገሪ ተመስሪቱ ይርከብ። ጀነራል ዳጋሎ፡ እቲ ኣድማ ዕልዋ መንግስቲ'ዩ ክብል ከም ዘይደፍር ብምግላጽ፡ ከምኡ ዓይነት ተግባር ከም ዘይጻወር ተዛሪቡ። ሓላፊ ናይቲ ላዕለዋይ ኣካል መሰጋገሪ መንግስቲ ዝኾነ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ፡ ሌ\/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ብወገኑ፡ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ግጭት ከም ዝሃድአ ሓቢሩ። \"ኩሉ እዝታት ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሰራዊት ኣትዩ'ሎ። ክሊ ኣየር ድማ ተኸፊቱ'ሎ\" ክብል እቲ ጀነራል ኣዊጁ። እቲ ግጭት ድሕሪ ምውልዑ፡ በረራታት ተቛሪጹ፡ ዓለምለኻዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ካርቱም'ውን ተዓጽዩ ነይሩ። ድሩዓት ወታሃደራዊ ማካይን'ውን ኣብታ ከተማ ተዋፊረን ከም ዘለዋ ጸብጻባት ሓቢሮም። ገለ ኣባላት ናይቲ ብ'ጀነራል ኢንተሊጀንስ ሰርቪስ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ትካል ስለያ፡ ሓይሎም ንምርኣይ ከቢድ ብረታት ንሰማይ ክትኩሱ ሓዲሮም። ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከተማ ካርቱም፡ ውግእ ከም ዝነበረን፡ ኣብ ጥቓ ማዕርፎ ነፈርቲ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ከባቢ፡ ገለ ካብቶም ዝኣደሙ ኣባላት ስለያ ንሓደ ህንጻ ከም ዝተቖጻጸሩን፡ ነበርቲ ብምጥቃስ፡ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። \"እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ እቶም ኣባላት [ስለያ] መጠን ዝተዋህቦም ናይ መጣየሲ ገንዘብ ብምንጻጎም'ዩ\" ክብል ኣፈኛ መንግስቲ ፋይሳል መሓመድ ሳላሕ ንመደበር ተለቪዥን እታ ሃገር ተዛሪቡ። ሓደ ካብ ቀንዲ ንተቓውሞታት ሱዳን ዝወደቡ ጉጀለታት፡ \"እዚ ኣብ ህዝቢ ራዕዲ ፈጢሩ ዘሎ ዘይሓላፍነታዊ ስርሒታት\" ደው ክብል ጸዊዑ'ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ቀጻሊ ተቓውሞታት፡ ብውሕዱ 170 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይፍለጥ። እቲ ብሃገራዊ ደሕነትን ኣገልግሎት ስለያን ዝፍለጥ ናይ ጸጥታ ትካል፡ ነቲ ተቓውሞታት ንምጭፍላቕ ዓቢ ተራ ተጻዊቱ ነይሩ'ዩ። ኣብቲ ንኣስታት 30 ዓመታት ዝቐጸለ ዘመነ-ስልጣን ዑመር ኣልበሽር፡ እቲ ትካል እቲ ዝሓየለ ናይታ ሃገር ናይ ጸጥታ ኣካል'ዩ ነይሩ። ህዝባዊ ናዕቢ ብዝፈጠሮ ድፍኢት ብሰራዊት እታ ሃገር ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ኣልበሽር፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ብብልሽውና ተኸሲሱ ንክልተ ዓመት ማሰርቲ ተፈሪዱ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51123698"} {"headline":"ንመንግስቲ ክልል ኣምሓራ ተሓታቲ ዝገብሩ ሰልፍታት ተቓውሞ ሙስሊም ማሕበረሰብ","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ሞጣ ኣብ ልዕሊ መሳጊድ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ንምውጋዝ ዝተጸወዑ ሰልፍታት ተቓውሞ ንመንግስቲ ክልል ኣምሓራን ሚድያታቱን ወቒሶም። እቶም ኣብ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተቓጸሉ ኣርባዕተ መስጊዳትን ዝዓነውን ዝተሰረቑን ብሰዓብቲ እስልምና ዝውነኑ ሆቴላትን'ዮም ነይሮም። ሎሚ ማዓልቲ፤ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈላለዩ ከተማታት ዞባ ወሎ፤ ብርቱዕ ተቓውሞ ዝተስመዐሉ ሰልፍታት ተኻይዱ። ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ከምዘይሃቦም ዝተዛረበሎም እዞም ሰልፊታት ተቓውሞ፤ ኣብ ወልድያ፣ ደሴ፣ መርሳን በደሌን ተኻይዶም። ኣብ ክልል ኦሮምያ ድማ ኣብ ከተማ ባሌ ተመሳሳሊ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻይዱ። ከምኡ'ውን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ዓቢይ መስጊድ ኑር፤ ሓያል ሰልፊ ተቓውሞ ተኻይዱ። ኣብ ደሴ ዝተኸያደ ሰልፊ ተቓውሞ ካብ መንጎ ዘተሓባበሩ ከማል ሑሴን ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ እንትምልስ፤ \"እቲ ማሕበረሰብ ንመንግስቲ ክልል ኣምሓራ እዩ ተሓታቲ ገይሩ። ክሳብ ሕዚ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ኣይተዛረበን፤ መጺኡ እውን ይቕረታ ኣይሓተተን። እዚ ጉዳይ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ ሓደ ምሸት ትካላት ንግዲ ተመሪፆም እንትዝምቱ፣ ክንድቲ እቲ ዝኣክል እናተጎየለ ነይሩ። ብርግፅ ካብ ሞንጎ እቶም ዝጉይሉ ሰባት፡ መዝሙር ዋላ እንተነበሮም፡ ኩሎም ንኣመንቲ ክርስትና ዝውክሉ እዮም ዋላ እኳ እንተዘይበልና፡ ናይ ባዕሎም ኣጀንዳ ዘለዎም እዮም\" ኢሉ። \"መንግስቲ ኣብ ዘለዎ ሃገር ፡ ብጎይላ ናይ ሙስሊም ንብረት እንትዓኑን መስጊድ እንትቃፀለን፡ ኣካላት ፀጥታ የለውን ድዮም? ግደፍ ዝብል ሰብ'ከ ከመይ ዘየለ?\" ክብል ዝሓትት ከማል፤ \"ስለዚ እዚ ሓደ ነገር ክንጥርጥር ገይሩና እዩ። መንግስቲ ኣብዚ መጥቃዕቲ ኢድ ኣለዎ እዩ\" ኢሉ። ከማል ሑሴን፤ ካሊእ ዓብዪ ጉዳይ እቶም ሰልፈኛታት ዝነበረ ድማ ኣጸባጽባ ሚድያታት ክልል ኣምሓራ ከምዝኾነ ይዛረብ። \"ኣብቲ ክልል ዘሎ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣምሓራ፡ ነዚ ኮነ ተባሂሉ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፡ ብሃንደበት ንእሽተይ ባርዕ ከምዝተልዓለ ኣምሲሉ፡ ሸፋፊኑ እዩ ኣሕሊፍዎ፤ ትኽክለኛ ፀብፃብ ኣይሰርሐን። ስለዚ መንግስቲ እቲ ክልል ይቕረታ ክሓትት፣ ንዝዓነው ንብረታትን ዝተቓፀሉ ትካላት ንግድን ድማ ካሕሳ ክኸፍል ይግባእ\" ብምባል፤ ኣብቲ ሰልፊ እዚኦም መሰልን ድምጽታት ከምዝተንጸባረቑ ተዛሪቡ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየዱ ሰልፍታት፤ ሓምለዋይ፣ ብጫን ቀይሕን ሕብርታት ዝሓዘ ለማጽ ባንዴራ ሒዞም ይወጸኡ ነይሮም። ኣብቲ ናይ ሎሚ ዝተኻየዱ ሰልፍታት ግና፤ እቲ ምልክት ማዕርነት ከምዝኾነ ዝንገረሉ ኣብ ማእኸሉ ኮኾብ ዘለዎ ባንዴራ ኢትዮጵያ ሒዞም ወጺኦም። እቶም ሰልፍታት ተቓውሞ፤ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ትካላት ሃይማኖት ዘርእዮ ሸለልተኝነት ደው ከብል፣ ወገንተኛ ኣጸባጽባ ሚድያታት ጠጠው ክብል ዝሓቱ፤ ከምኡ ድማ ንፓርቲ ብልጽግና ዘተሓሕቱ ጭርሖታት ሒዞም ወጺኦም። ብፍላይ ኣብቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፤ \"መስጊድ ኣቃጺሉ ምስ ዝጉይል ማዕረ ኢትዮጵያዊ ተባሂልካ ምጽዋዕ ዘሕፍር እዩ\" ዝብል ጭርሖ ሒዞም 'ድምጽና ይሰማዕ' ክብሉን 'መስጊድ ዘቃጸሉ ናብ መቓብር ይውረዱ' ዝብልን ዓው ኢሎም ድምጾም ኣስሚዖም። ገለ ሚድያታትን ሓለፍቲ መንግስት ክልል ኣምሓራ ፤ 'ሳልሳይ ኣካል' ዘለዓዓሎ ዘምስሉን፤ ብስም ዘይጠቕስዎም 'ጸረ-ሰላም ሓይልታት' ዝፈጸምዎ ከምዝኾነ ድማ ክገልጹን ቀንዮም። እቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ብፍላይ ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ ከተማታት ባሌሮባ፤ ሃረር፣ ኣብ ጅማን ኣብ ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን ሰልፍታት ተቓውሞን ክካየዶ ቐንዮም 'ዮም። ሚድያታት ፌዴራል መንግስቲ ግና ሕዚ'ውን ነቶም ድምጽታት ተቓውሞ ሽፋን ክህቡ ኣይስትውዐልን። ንፕረዝደንት ቤት-ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክልል ኣምሓራ ሸኽ ስዒድ መሓመድ ሓቲትናዮም። \"ቅድሚ ሕዚ እውን ኣብዚ ክልል ብቸናን እሰቴን ኣብ ዝበሃሉ ከባብታት መጥቃዕትታት ተፈፂሞም፡ ክልተ ሰባት ሞይቶም እዮም። ኣብዚ ገበነኛታት ሒዝካ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ግና ድኹም ስለዝኾነ፡ሕዚ አውን መንገስቲ እዚ ንከይደግሞ እዩ እቲ ተቓውሞታት ዝስማዕ ዘሎ\" ኢሎም። ካልእ እቲ ተግባር ብጎይላን ብብዙሓት ሰባትን ዝተፈፀመ እንከሎ፡ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ግና 20 30 ሰባት ጥራሕ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም። \"ስለዚ እቲ ምርመራ ድኹም እዩ። እቲ ህዝቢ፡ ቅድሚ ሕዚ እውን ፅኑዕ ስጉምቲ እንክውሰድ ኣይረአናን፤ እዚ'ውን ተሸፋፊኑ ክተርፍ እዩ ዝብል እምነት እዩ ዘለዎ\" ክብሉ ገሊጾም። ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ከተማ ኣዳማ ይካየድ ዝነበረ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ብኣካላት ፀጥታ መንግስቲ ክብተን ከምዝተገበረ፡ ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ሪፖርተርና ፀብፂቡ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50927845"} {"headline":"ቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ ዘስዓቦ ተቓውሞ ኣመሪካውያን","content":"ኣብ ኣመሪካ ሓደ ጸዓዳ ፖሊስ፡ ንጆርጅ ፍሎይድ ዝተብሃለ ጸሊም ኣመሪካዊ ኣብ ክሳዱ ረጊጹ ዘርኢ ቪድዮ ብማሕበራዊ መራኸብታት ምስ ተቓልሐ፡ ኣብ ኣመሪካ ብዙሕ ተቓውሞ ኣጋጢሙ ኣሎ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52878696"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ሰልፈኛታት ዩክሬን ካብ ቻይና ዝመጹ ጥርጡራት ዝሓዛ ኣውቶቡሳት ኣጥቂዖም","content":"ኣብ ዩክሬን፡ ካብ ቻይና ዝገዓዙ ጥርጡራት ኮሮና ቫይረስ ዝጸዓና ኣውቶቡሳት ብሰልፈኛታት ተጠቒዐን። እቶም ካብ ቻይና ዝገዓዙ ተጠርጠርቲ፡ ን14 መዓልቲታት ናብ ዝዳጎንሉ ኣብ ኖቪ ሳንዛሪ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል እዮም ዝውሰዱ ነይሮም። ብዙሓት ነበርቲ፡ እቲ ቫይረስ ናብታ 10 ሽሕ በዝሒ ዝነብረላ ከተማ ከይላባዕ ስግኣት ኣለዎም። ፕረዚደንት ዩክሬን ቭላድሚር ዘለንስኪ ግን፡ \"ኩለና ደቂ ሰባት ኢና\" ብምባል እቶም ነበርቲ ክትሓባበሩን ሰብኣዊነት ከርእዩን ጸዊዑ ኣሎ። ትማሊ ሓሙስ 45 ዩክሬናውያንን 27 ወጻእተኛታትን፡ ካብታ ዋና ማእከል እቲ ቫይረስ ዝኾነት ቻይናዊት ከተማ ዉሃን ተበጊሶም፡ ኣብ ምብራቒ ዩክሬን ናብ እትርከብ ከተማ ካርኪቭ ኣትዮም። እቶም ኣጋይሽ ብሽዱሽተ ኣውቶቡሳት ተጻዒኖም ናብ ሆስፒታል እንትውሰዱ፡ ሓዊ ዘንድዱን እእማን ዝድርብዩን ሰባት ኣብ መንገዲ ጠጠው ኣቢሎምዎም። ካብቶም ኣጋይሽ ዋላ ሓደ በቲ ቫይረስ ዝተጠቐዐ ሰብከምዘየለ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ልዑል ረስኒ ተራእዩዎም ዝተብሃሉ ሰለስተ ዩክሬናውያንን ሓደ ካዛኪስታናውን ግን ኣብ ከተማ ውሃን ክተርፉ ከምዝተገበረ ተገሊጹ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኦለክሲ ሆንቻሩክ፡ ምስ ሚኒስተር ጥዕናን ሚኒስተር ውሽጢ ዓድኢ እታ ሃገርን ብምዃን፡ ነቲ ወጥሪ ንምዝሕሓል ናብታ ከተማ ኣትዮም ኣለዉ። ዩክሬናውያን ርህራሀ ከርእዩ ዝተማሕጸነ ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ \"መብራሕተኦም እቶም ኣጋይሽ ትሕቲ 30 ዝዕድሚኦም እዮም፤ ንመብዛሕቴና ዳርጋ ደቅና እዮም\" ክብል ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ። ዛጊድ በቲ ኮቪድ-19 ዝብል መጸውዒ ዝተውሃቦ ቫይረስ ልዕሊ 76 ሽሕ ሰባት ዝተትሓዙ ኮይኖም፡ 2,247 ሰባት ድማ ሞይቶም ኣለው። መብዛሕትኡ እቲ ለበዳን ሞትን ኣብ ውሽጢ ቻይና እዩ ተኸሲቱ ዘሎ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51582776"} {"headline":"ጉስጢትን ካራቴን ዝሓወሰ ዓይነት ስፖርት ንምርኣይ ዝኣተወ ትራምፕ እንታይ ኣጓነፎ?","content":"ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ 'ኣልቲሜት ፋይቲንግ ቻምፒዮንሺፕ' (ዩኤፍሲ) ብዝብል ኣብ ዝዳሎ መድረኽ ውድድር ጉስጢትን ካራቴን ተቓውሞ ኣጋጢምዎ። ኒውዮርክ ናብ ዝርከብ ውድድር ዝካየደሉ ኣዳራሽ ምስ ክልተ ኣወዳት ደቁን ካልኦት ሰበስልጣንን ክኣትው እንከለው፡ ካብ ተመልከትቲ (ተዓዘብቲ) ብዙሕ ተቓውሞ ተሰሚዑ። ካብቲ ኣዳራስ ውጽእ ኢሎም ዝተኣኻኸቡ ካልኦት ሰባት'ውን ሰላማዊ ሰልፊ ብምግባር ንትራምፕ ተቓዊሞም። ንሱ፡ ከምዚ ዝበለ ተቓውሞ ከጋጥሞ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ንኻልኣይ ግዚኡ እዩ። ቅድሚ ቁሩብ መዓልታት'ውን ኣብ ዋሺንግተን ናብ ዝርከብ ጸዋታ ቤዝቦል ዝካየደሉ ሜዳ ክኣትው ከሎ ብተቓውሞ ተዓጂቡ ነይሩ። ሽዑ 'ናብ ቤት ማእሰርቲ ይእቶ' ዝብል መልእኽቲ ዘሕልፍ ብዜማ ዝተደገፈ ተቓውሞ ተሰሚዑ። ትራምፕ ናብ ስልጣን ክመጽእ ከሎ፡ ጎስጓስ መረጻ የካይድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሂላሪ ክሊንተን 'ናብ ቤት ማእሰርቲ ክትኣትው ኣለዋ' ዝብሉ ደርፍታት ይስምዑ ነይሮም። ኣብቲ ናይ ትማሊ መድረኽ ውድድር ጉስጢትን ካራቴን ዝሓወሰ ዓይነት ስፖርት ['ሚክስድ ማርሻል ኣርት'] ዝበዝሕ ተመልካቲ (ተዓዛቢ) ብተቓውሞ'ኳ እንተተቐበሎ፡ ብጣቕዒትን ፋጻን ዓጂቦም ዝተቐበልዎ'ውን ኣይተስኣኑን። 'ትራምፕ ይተኣለ'፤ 'ካብ ስልጣኑ ኣውርዱልና' ዝብል መልእኽቲ ዝሓዙ ፍሑፋት ኣብቲ ኣዳራሽ ተራእዮም'ዮም። ምስ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዜሌንስኪ ብምምሽጣር፡ ኣብ ልዕሊ ናይ መጻኢ ምርጫ መወዳድርቱ ሸሪሑ'ዩ ብዝብል ይንቀፍ ዘሎ ትርምፕ፡ ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ፡ ካብ ስልጣኑ ክስጎጕ ይኽእል'ዩ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50279967"} {"headline":"ኣብ ኣመሪካ ንምንታይ እዮም ብዙሓት ነቲ ዕጽዋ ዝቃወምዎ ዘለዉ?","content":"ኣብታ ሃገር፡ ዛጊድ ልዕሊ 761,000 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ዝተረጋገጸ ኾይኑ ልዕሊ 40,000 ድማ ሞይቶም እዮም። እቲ ቁጽሪ ሕዚ'ውን እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። እንተኾነ፡ ኣብ ገለ ግዝኣተት ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝልከፉ ሰባት እናነከየ ይመጽእ ከምዘሎ ዘርእዩ ምልክታት ኣለዉ። ገለ ግዝኣተት፡ ነቲ ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳታት ከላሕለሐኦ ጀሚረን ኣለዋ። ኣብቶም ዝቕጽሉ መዓልታት፤ መናፈሻተት፣ ገማግም ባሕርን ገለ ኣናእሽቱ ትካላት ንግድን ዝኸፍታ ግዝኣታት ኣለዋ። መብዛሕትኡ ክፋላት ኣመሪካ ግን ሕዚ'ውን ኣብ ዕጽዋ እዩ ዘሎ። ኣብ ብዙሓት ግዝኣተት ድማ፡ ተቓወምቲ ናብ ኣደባባይ ወጺኦም መገድታት ብምዕጻውን ጥሩምባ መኪናታቶም ብምንፋሕን ኣብ ልዕሊ እዚ ዕጽዋ ዘለዎም ተቓውሞ ገሊጾም እዮም። ንምንታይ እዮም ዝቃወሙ ዘለዉ? እቶም ንተቓውሞ ናብ ኣደባባያት ዝወጽኡ ሰባት፡ እቲ ተነቢሩ ዘሎ ኣዝዩ ጥቡቕ ክልከላ ናይ ምንቅስቓሳትን ትካላት ንግድን ንዜጋታት ይሃሲ ኣሎ እዮም ዝብሉ። እቶም ተቓወምቲ፡ ኣመሓደርቲ ናይተን ዝተፈላለያ ግዝኣታት ንምክልኻል እቲ ለበዳ፡ ብዝብል ዘንበርዎም እገዳታት ካብ ዝግብኦም ንላዕሊ ኣብ ፍርሒ ዝተደረኹ እዮም ኢሎም ይኣምኑ። ገለ ካብቶም ተቓወምቲ ድማ፡ ብረት ዓጢቖም ዝወጹ ክኾኑ እንከለዉ፡ ገለ ካብቶም ኣወሃሃድቲ ናይቲ ሰልፍተት እውን ኣብ መሰል ምዕጣቕ ጎስጓሳት ዘካይዱ ጉጅለታት እዮም። እቲ ዕጽዋ ድማ ንመሰረታዊ ናጽነት ዜጋታት ዝግድብ እዩ ብምባል እዮም ዝቃወምዎ። ካልኦት ድማ፡ እቲ ዕጽዋ ንነዊሕ እዋን እንተቐጺሉ፡ ከባብያዊ ቁጠባን ኣናእሽቱ ትካላት ንግድን ክህሰዩ እዮም ብዝብል እዮም ዝቃወምዎ ዘለዉ። ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብታ ሃገር ብዝሒ ስራሕ ዝሰኣኑ ዜጋታት 22 ሚልዮን ከምዝበጽሐ ይግለጽ። ኩሎም ተቓወምቲ ግን፡ ሽዑ ንሽዑ እቲ ገደባት ክለዓል ዝጠልቡ ኣይኮኑን። ገለ ጉጅለታት፡ ነቲ ሕማም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሰባት ጥራይ ተፈልዮም ክውሸቡ፡ ሰባት ናብ ስርሖም መታን ክምለሱ ብዙሕ ምርመራታት ክካየድ፡ ከምኡ ድማ \"ኣገደስቲ\" ዝበሃሉ ንክኽፈቱ ዝፍቀደሎም ትካላት ዳግማይ ክረኣይ በሃልቲ እዮም። ብዝሒ ተቓወምቲ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝተፈላለየ እዩ። ንኣብነት ኣብ ቨርጂንያን ኦሪጎንን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት እዮም ነይሮም። ኣብ ሚቺጋንን ግዝኣት ዋሽንግተንን ድማ ኣሸሓት ሰልፈኛታት እዮም ወጺኦም። ኣብ ኮሎራዶ ድማ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ነቲ ዕጽዋ ዝቃወሙ ሰልፈኛታት ዝወጹ ኮይኖም፡ ውሑዳት ሰብ ሞ ያጥዕና ድማ ንዓኣቶም ብምቅዋም መገዲ ዓጽዮም። ነዚ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ዝውድብዎ ዘለዉ መብዛሕተኦም ዓቃባውያን (ኮንሰርቫቲቭ) ኮይኖም ንፕረዚደንት ትራምፕ ዝድግፉን ንመሰል ምዕጣቕ ዝጉስጉሱን እዮም። ናይ ኣመሪካ ሚድያታት፡ ነቶም ሰልፈኛታት 'ኣብ ጎስጓስ መረጻ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝሳተፉ ሰባት ዝመስሉ እዮም' ክብላ እየን ዝገልጸኦም። እቶም ሰልፈኛታት ስእሊ ትራምፕ ዝሓዙ ጭርሖታት፣ ካናቲራን ምልክታትን ዝሓዙ እዮም።ኣብ ኣመሪካ ንምንታይ እዮም ነቲ ዕጽዋ ዝቃወምዎ ዘለዉ?","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52364428"} {"headline":"ኢራን ብምኽንያት ነዳዲ ናብ ጎደናታት ኣብ ዝወጽኡ ተቓወምቲ ስጉምቲ ከምእትወስድ ኣጠንቂቓ","content":"ኢራን ኣብ ልዕሊ እቶም ንሓድሽ ፖሊሲ ነዳዲ ብምቅዋም ዝወጹ ሰልፈኛታት ስጉምቲ ከምእትወስድ ሚኒስትሪ ውሽጢ ዓዲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ። እታ ሃገር ነዳዲ ብመቑነን ከምዝሽየጥን ዋጋ ከምዝወስኽን ብምግላጻ ከቢድ ተቓውሞ ተላዒሉ ኣሎ። ዛጊት በቲ ናዕቢ ሓደ ሰብ ከምዝሞተን ብዙሓት ከምዝቖሰሉን ተገሊጹ። እቲ ክሳብ 50 ምኢታዊት ዝበጽሕ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ፡ ንድኻታት ዝሕግዙሉ ገንዘብ ንምርካብ ከምዘኽእሎም ሰበስልጣን ሓቢሮም። ኣመሪካ ካብ ስምምዕ ኑክሌር 2015 ምስኣንሳሓበት ኣብታ ሃገር ዘንበረቶ ማዕቀባት ንኢኮኖሚ እታ ሃገር ሃስዩዎ እዩ። ሚኒስተር ውሽጢ ዓዲ ዓብደልሪዛ ራህማን ፋዝሊ፡ እቲ ናዕቢ ጠጠው እንዘይኢሉ እታ ሃገር ስጉምቲ ንምውሳድ ከምእትግደድ ገሊጹ። በቲ ወጺኡ ዘሎ ሓድሽ ፖሊሲ መሰረት፡ ሓደ በዓል ተሽከርካሪ ኣብ ወርሒ 15 ሽሕ ርያል ኢራን ብዝኾነ ዋጋ፡ 60 ሊትሮ ነዳዲ ጥራሕ ክገዝእ እዩ ዝፍቀዶ። ካብዚ ወጻኢ ንዝገዝእ ግን ንሓድሕድ ሊትር 30 ሽሕ ርያድ ክኸፍል ይግደድ። ቅድሚ ሕዚ ዋጋ ሓደ ሊትር ነዳዲ 10 ሽሕ ርያል ዝነበረ ኮይኑ፡ ዘወርቲ ክሳብ 250 ሊትር ነዳዲ ክገዝኡ ይፍቀድ ነይሩ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50449948"} {"headline":"ቦሊቭያ፡ ጸጉሪ ርእሳ ብናዕበኛታት ዝተቖርጸ ከንቲባ ሓንቲ ከተማ","content":"ኣብ ቦሊቭያ፡ ነበርቲ ሓንቲ ንእሽቶ ከተማ ተቓውምኦም ንምግላጽ፡ ንከንቲባ ናይታ ከተማ ብምሓዝ ጥራሕ እግራ ኣብ ከተማ ከዙሩዋ ውዒሎም። እቶም ናዕበኛታት፡ ንፓትሪሽያ ኣርስ፡ ብቀይሕ ቀለም ድሕሪ ምልካዮም፡ ጸጉራ ብሓይሊ ቆሪጾም። ኣብታ ሃገር ድሕሪ ዝተገብረ ኣካታዒ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ናዕብታት ክካየድ ጸኒሑ'ሎ። ዛጊት ብውሕዱ ሰለስተ ሰባት ከም ዝሞቱ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ይሕብሩ። ኣብ ከተማ ቪንቶ እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ ኣብ ሓንቲ ኣብ ኣውራጃ ኮቻባምባ እትርከብ፡ ቪንቶ እትበሃል ንእሽቶ ከተማ፡ ኣንጻር መንግስቲ ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዝነበሩ ዜጋታት፡ መሰጋገሪ 'ቢንቶ' ይዓጽዉ። ኣብ መንጎ ደገፍቲ ፕረዚደንት ኢቮ ሞራለስን ተቓወምቱን ኣብ ዝነበረ ግጭት ክልተ ተቓወምቲ ተቐቲሎም ዝብል ወረ ምስ ተነዝሐ፡ እቶም ናዕበኛታት ናብ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣምሪሖም። ንከንቲባ ፓትሪሽያ ኣርስ ድማ፡ ኒተ ዓጊቶሞ ዝነበሩ ድልድል ንምኽፋት፡ ደገፍቲ ናይቲ ፕረዚደንት ብኣውቶቡሳት ኣምጺኢኪ፡ ነቶም ክልተ ከም ዝቕተሉ ጌርኪ ክብሉ ከሲሶማ። \"ቀታሊት፡ ቀታሊት\" እናበሉ ኣብ ዝጭድርሉ ዝነበሩ እዋን ከኣ፡ ገጾም ዝተሸፈነ ሰባት፡ ካብ ቤት ጽሕፈታ ብምውጻእ ብጥራሕ እግራ እናጋፍዑ ናብቲ ድልድል ወሲዶማ። ኣብኡ ኸኣ፡ ከም ክትምብርከኽ ብምስግዳድ፡ ጸጉሪ ርእሳ ቆረጾም፡ ብቀይሕ ቀለም ለቕሊቖማ። ካብ መዝነታ ምውርዳ ክትፍርም'ውን ኣገዲዶማ። ኣብ መወዳእትኡ፡ እታ ከንቲባ ንፓሊስ ተረኪባ፡ ናብ ማእከል ጥዕና ተወሲዳ። ቤት ጽሕፈታ ብሓዊ ከቃጽልዎ እንከለዉ፡ ንመስኮታት ናይቲ ምምሕዳር ድማ ሰባቢሮም። ኣብቲ ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቓወምትን ፕረዚደንት ሞራለስ ዝተገብረ ግጭት ሓደ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ከም ዝሞተ ተፈሊጡ። ንሱ፡ እቲ ናዕቢ ብ20 ጥቅምቲ ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ካብ መንጐ ዝሞቱ ሰለስተ ሰባት'ዩ። ፕረዚደንት ሞራለስ ብ10 ሚኢታዊት ብልጫ ድምጺ ከም ዝተዓወተ ድሕሪ ምግላጹ፡ ደገፍቲ ቀንዲ ተቐናቓኒኡ ዝኾነ ካርሎስ ሜሳ፡ ንውጽኢት እቲ ምርጫ ብምንጻግ ተቓውሞታቶም ከካየዱ ጀሚሮም። ተዓዘብቲ፡ እቲ ምርጫ ጸገማት ከም ዝነበሮ ድሕሪ ምግላጾም፡ ነቲ ኩነታት የጻርይዎ'ኳ እንተለዉ፡ እቲ መራሒ ተቓዋሚ ወገን ዝኾነ ካርሎስ ሜሳ ግን ኣይተቐበሎን። ኢቮ ሞራለስ፡ ኣብ 2006 ኣብ ስልጣን ከም ዝደየበ ይንገር። ንዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመት'ውን ነታ ሃገር ክመርሓ ትጽቢት ይግበር።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50336101"} {"headline":"መገዲ መቐለ-ሳምረ ዓጽዮም ዘለዉ ነበርቲ ሕንጣሎ ሕቶኦም እንታይ እዩ?","content":"ካብ ከተማ መቐለ ናብ ሳምረ ዝወስድ መገዲ 'ወረዳና ይመለሰልና' ብዝብል ኣብ ከባቢ ደንጎላት፡ ለይትን ቀትርን ንራብዓይ መዓልቲ መንገዲ ዓፅዮም ዘለዉ ነበርቲ ሕንጣሎ፡ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት መልሲ ክሳብ ዘይረኸቡ፡ ናብ ገዝኦም ከምዘይምለሱ ንቢቢሲ ገሊፆም። እዞም ንዝሓለፉ መዓልታት \"ፍትሒ ስኢንና\" ብዝብል መገዲ ብምዕፃው ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዘለዉ ነበርቲ፡ ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ሕንጣሎ ወጀራት ኣይተ ደስታ ግርማይ ትማሊ ንመራኸቢ ሓፋሽ እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መሕተት፡ ምስ ህዝቢ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበጽሐን \"ተጋጊና ስለዝበሉ\" ድማ መገዲ ክኽፈት ከምዝተሰማምዑ ገሊጹ። እንተኾነ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ምስ ኣማሓዳሪ ኣብ ዝኾነ ስምምዕ ከምዘይበጽሑን፡ እቲ ዝተዋህበ መግለጺ ድማ፡ \"ሓሶት\" ምዃኑን ንቢቢሲ ገሊጾም። \"እቲ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ፡ ዘይተገበረ ተገይሩ እዩ፤ ዘይተሰርሐ ተሰሪሑ እዩ ምባሎም፡ ናይቲ ቅድሚ ሕዚ ዝገበርዎ ሓሰት መቐፀልታ እዩ\" ብምባል፡ እቲ ህዝቢ ተቖጢዑ ከምዘሎ ሓደ ካብቶም ሰልፈኛታት ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ነበርቲ እቲ ከባቢ 'ወረዳና ይመለሰልና' ዝብል ሕቶ ከምዘለዎም እዮም ዝገልጹ። ፍትሒ ስለዝሰኣና ኢና መንገዲ ዓጺና ዝበሉ ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ \"ሕቶና ከይተመለሰ ናብ ገዛ ኣይንምለስን\" ኢሎም። ቅድም ክብል ኣብ ወረዳ ሕንጣሎ ወጀራት ዝነበረ እቲ ከባቢ፡ በቲ ሕዚ ዝጅመር ዘሎ ሓዱሽ ኣወዳድባ፡ ወጀራት ርእሱ ዝኸኣለ ወረዳ ክኸውን'ሎ፤ ትሸዓተ ጣብያታት ዝሓዘ ከባቢ ሕንጣሎ ድማ፡ ናብ ሒዋነ ክሕወስ ከምዝተገበረ ነበርቲ ይዛረቡ። ነቶም ነበርቲ ካብ ዝወከሉ ኣባላት ኮሚቴ፡ ስሞም ክጥቀስ ዘይደለዩ ሓደ ነባሪ ሕንጣሎ 'ህዝቢ እቲ ከባቢ ብተደጋጋሚ ክሳብ ቤት-ጽሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ዋላ'ኳ ጥርዓን እንተቕረቡ ምላሽ ከምዘይተውሃቦም' ብምግላጽ ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰዱ ገሊጾም። ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲታት፡ ወከልቲ ከባቢ ሕንጣሎ ንኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ደብረጽዮን (ዶ\/ር) ንምምዝርራብ ናብ ከተማ መቐለ ከይዶም ከምዝነበሩን፡ ሓላፊ እቲ ቤት ጽሕፈት \"ኣየራኽብን\" ከምዝበሉዎምን እውን ይገልጹ። \"መገዲ ክንዓጹ ዘገደደና፡ ወረዳና ይመለሰልና ዝብል ሕቶና እዩ። ወረዳ ሕንጣሎ-ወጀራት ነይሩ፡ ወጀራት ተመሊሱሎም እዩ። ሕንጣሎ ግን ንሒዋነ ተሸይጣ። ሽዱሽተ ወርሕና ኣብ ኩሉ በጺሕና፡ ኣብ ወረዳ ኣብ ዞባ ኣብ ኩሎም ናይ ፍትሒ ይኹን ናይ ጸጥታ ኣካላት ኬድና መልሲ ኣይረኸብናን\" ይብሉ። ካልእ ነባራይ እቲ ከባቢ ድማ፡ ክሳብ 1987 ሕንጣሎ ማእከላ ከተማ ደንጎላት ዝገበረት ንኡስ ወረዳ ከምዝነበረትን፡ ሕዚ ግን ሸሞንተ ጣብያታት ሕንጣሎ ተነጺለን ናብ ሳምረ፣ ግጀትን እንደርታን ክኸዳ ከምዝተገበረን ዝተረፋ ድማ፡ ብሽም ወረዳ ሕንጣሎ ማእከለን ሒዋነ ክኸውን ከምዝተወሰነን ገሊጹ። ድልየት ናይቲ ህዝቢ ድማ ማእከሉ ደንጎላት ዝነበረ ወረዳ ሕንጣሎ ክምለስ እዩ። ናይ ባዕሎም ወረዳ ክህልዎም ዝደልይሉ ቀንዲ ምኽንያታት ድማ \"ነቲ መንግስቲ ዘቐመጦ ረቑሓታት ዘማላእና ኢና፤ በዝሒ ህዝብና ልዕሊ 115 ሽሕ እዩ። ካልኣይ፡ ከምቲ መንግስቲ ዝብሎ ዘሎ እንተነውሐ ካብ 20 ኪሎሜትር ኣብ ዝርሕቕ ቦታ ከይድና ክንግልገል የብልናን እዩ። ሕዚ ግን ልዕሊ 35 ኪሎሜትር ኢና ኬድና እኒሀና። ንሕና ድማ ኣብ ቀረባና ክንግልገል ኣለና፡ ሕቶና ብስራሕቲ ልምዓት ይመለሰልና ኢና ንብል ዘለና\" ይብሉ። ህዝቢ፡ ኣብ ከተማ ደንጎላት፡ ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ ጀሚሩ ነቲ ዋና መገዲ ብምዕጻው፡ ኣብቲ መገዲ ይውዕልን ይሓድርን ከምዘሎ እቶም ኣባላት ኮሚቴ ንቢቢሲ ተዛሪቦም። \"ናብ ዕዳጋ ዝኸዳ እንስሳ ከይተረፋ ኣብኡ ተገቲረን ውዒለን። ታቦት ሒዝና ኢና ውዒልና፤ ከባቢ 100 ዝኾና መካይን ውዒለን እየን፡ እቲ ናብ ሳምረን ፊናርዋን ዝወስድ መገዲ ስለዝተዓጸወ\" ይብሉ ሓደ ካብ ነበርቲ። እቲ ህዝቢ ዝምልከቶም ኣካላት መጺኦም የዘራርቡና እዩ ዝብል። \"መንገዲ ምዕፃው፡ ፍትሓዊ ኣይኮነን፡ ግና ፍትሒ ስለዝስኣንና ኢና መንገዲ ዓፂናዮ። እቲ ህዝቢ ናይ ቀፃሊ ሂወትና መሰረታዊ ነገር ኣብ ዘይኰውን ስለዘውደቕኹምና፡ ናይ ሕዚ ሽግር ይሕሸና ኢሉ እዩ ወሲኑ ዘሎ\" ብምባል እቲ ህዝቢ ናይ ምረት ውሳነ ከምዝወሰነ ተዛሪቦም። እዚ ጉዳይ ኣመልኪትና ናብ ኣማኻሪ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ተሾመ ደዊልና። ነቲ ብተወከልቲ ዝቐረበ ክሲ ግና ኣይተቐበሎን። \"ሕንጣሎ ወረዳ ተመሊስሎም እዩ፡ ናህቶም ሕቶ፡ ናይ ወረዳ ሕንጣሎ ከተማ፡ ቀፃሊ ቤት-ምኽሪ ዝውስኖ ሕዚ ኣቐዲሞም ዶንጎላት'ዶ ትኹን፡ ሒዋነ ከይትኸውን እዩ ፍርሓቶም። ሒዋነ ድያ ክትኸውን፡ ዶንጎላት ድያ ክትኸውን፡ ናይ ባዕሎም ናይቲ ወረዳ ቤት-ምኽሪ ዝውስኖ እዩ\" ብምባል \"ንሕና ነዚ ናይ ምውሳን ስልጣን የብልናን\" ኢሉ። ህዝቢ ንኣርባዕተ መዓልቲ ለይትን ቀትርን፡ ፍታሕ ኣብ ዝፅበየሉን፡ መጓዓዝያ ኣብ ዝተቋረፀሉን ኩነታት፡ ንሕቶ ህዝቢ ፀማም እዝኒ ምሃብ ግቡእ ድዩ ክንብል፡ ንኣይተ ተሾመ ሓቲትናዮ። \"ፀማም እዝኒ ኣይተውሃቦምን እኮ፡ ኣብኡ ዝኒሀ ናይቲ ዞባ ምምሕዳር ይረዳዳእ ኣሎ። ናብ ርእሰ ምምሕዳር ድማ ፅቡቕ ሕቶኹም ክነቕርበልኩም፡ ቆፀሮ ኣብ ዝሓዝናልኩም ክነዘራርበኩም ኢልናዮም። ሎሚ መዓልቲ መፂእና፡ ሎሚ መዓልቲ እንተዘይኣቲና እዮም ኢሎም። ርእሰ ምምሕዳር ድማ ብካልእ ስራሕ ተፀሚዱ እናሃለወ፡ ከመይ ገይርና ፕሮግራም ነሰናኽል\" ይብል። ነበርቲ ሕንጣሎ \"ናይ ፖለቲካ ኣመሓደርትና መልሲ ሃቡና ኢልናዮም፡ መልሲ ክህቡና ኣይከኣሉን፤ ብፖሊስ ዞባን ወረዳን ድማ ናይ ምፍርራሕ ከይዲ እዩ ዘሎ፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣርባዕተ መዓልቲ\" ይብሉ። ኣይተ ተሾመ ግና፡ \"ምፍርራሕ በፂሕዎም ኣይበፅሖምን፡ ኣነ ዝፈልጦ ጉዳይ የብለይን፡ ምሳይ ዘተኣሳስር ጉዳይ እውን የብሉን\" ክብል መሊሱ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ረቡዕ ተመሳሳሊ ሕቶ ዘልዓሉ ነበርቲ ዓዲ ነብሪ ኢድ፡ ንዝተወሰኑ ሰዓታት መገዲ ዓጽዮም ከምዝነበሩ ይፍለጥ። ህዝቢ ዘልዕሉ ሕቶ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከይበፅሐ፡ ብኣጋ ምፍታሕ'ዶ ኣይምሐሸን ንዝብል \"ናብ ዝኸፈአ ብርኪ ዘሰጋግር ነገር የብሉን እዚ፡ ምርድዳእ ይግበር ኣሎ እዩ\" ዝብል መልሲ ሂቡና። ነዚ ጉዳይ ኣመልኪትና ክነዘራርቦም ንዝምልከቶም ኣካላት ዞባ ደቡባዊ ምብራቕን፣ ሰሜናዊ ምዕራብን ደዊልና መልሲ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51145711"} {"headline":"ተቓውሞ ሆንግ ኮንግ፡ ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ናብ መደበር ባቡር ይድርቢ","content":"ፖሊስ ሆንግኮንግ፡ ነቶም መደብር ባቡር ተቆጻጺሮም ዝነበሩ ሰልፈኛታት ንምብታን መንብዒ ትኪ ከም ዝተጠቕሙ ተሓቢሩ። ካብቲ ቦታ ዝተዘርገሐ ቪድዮ ከም ዘርእዮ፡ ፖሊስ ነቶም ካብ ሰንበት ኣትሒዞም ንመደበር ባቡር ታይ ኩ ተቖጻጺሮም ዝነበሩ ሰልፈኛታት ንምብታን መንብዒ ትኪ ክጥቐሙን ብበትሪ ክሃርሙን ይርኣዩ። እዚ ዓስራይ ሰሙኑ ኣቑጺሩ ዘሎ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ብዙሓት ካብ ሰልፈኛታትን ካብ ፖሊስን ከምዝተሃሰዩ ጸብጻባት ይሕብሩ። እቲ ኣብ ሆንግኮንግ ዝካየድ ዘሎ ሰልፊ ተቃውሞ ዋላ እኳ ልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ይግበር፡ ገና ናህሩ ኣይነከየን ዘሎ። ዋላ እኳ መንግስቲ እቲ ገበነኛታት ናብ ቻይና ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ሕጊ ኣወንዚፍዎ እንተሎ፡ ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ግና ምሉእ ብምሉእ ክስረዝ ኢዮም ዝጠልቡ ዘለዉ። ካብኡ ሓሊፎም ውን ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ፈጺምዎ ዝበሃል ግፍዒ ዝምርምር ነጻ ኣካል ክቐውምን መራሒት ሆንግ ኮንግ ካሪ ላም ካብ ስልጣና ክትእለን ኢዮም ዝጽውዑ ዘለዉ። ብሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ኣብ ቪክቶርያ ፓርክ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዘካይድሉ ዝነበሩ ኣብቲ ብፖሊስ ዝተኸልከለ ኣውራ ጎደናታት ጥሒሶም ብምእታዎም ኢዩ ጎንጺ ተወሊዑ። ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት እታ ከተማ ግጭት ኣብ ዝጎሃረሉ ፖሊስ ናይ ፕላስቲክ ጠያይቲ ብምጥቃም ነቲ ሰልፊ ክብትኖ ፈቲኑ። ኣብርእሲ ውን ኣብ ሓያለ ከባቢታት ዘንብዕ ጋዝ ተጠቒሙ ኢዩ። ሓደ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብሰፊሑ ዝተዘርግሐ ምስሊ፡ ሓንቲ ብፖሊስ ዝተሃርመት ሰበይቲ ኣዒንታ እናደመየት ትርኤ። \"ሰልፈኛታት ሓድሽ ሜላ ሰልፊ ኢዮም ዝጥቀሙ ዘለዉ፡ ውሑዳት ኮይኖም ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ፋሕ ብምባል ይስለፉ፡ ፖሊስ ኣብ ዝመጽወሶም ድማ ብቐሊሉ ክሃድሙ ይኽእሉ\" ይብል ጋዜጣኛ ቢቢሲ ስቲፈን ማክዶነል። መራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ዓዲ፡ ፖሊስ ሰልፈኛታት ንምብታን ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ዕጽው መደበር ባቡር ዘንብዕ ጋዝ ከም ዝቶኮሱ ጸብጺበን። ካልእ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ውን ፡ ፖሊስ ካብ ቀረባ ርሕቀት ናብ ሰልፈኛታት እናተኮሱን፡ ደድሕሪ ሰልፈኛታት ብምጉያይ ብበትሪ እናሃረምዎምን የርኢ። ገለ ማዕከናት ዜና ከም ዝገለጽኦ፡ ብሰንበት ገለ ልክዕ ከምቶም ሰልፈኛታት ክዳን ዝለበሱ ፖሊስ ኣብ ውሽጢ ብምእታው ክኣስሩ ፈቲኖም። ኣብ ገለ ከባቢታት ናብ ፖሊስ ብዝተሰንደወ ናይ በንዚና ቦምባ፡ ብውሑዱ ክልተ ፖሊስ ቓጸሎ ኣጋጢምዎም ኢዩ። ሰንበት ሳልሰይቲ መዓልቲ ናይቶም ተቓውምኦም ንምስማዕ ኣብ ዙርያ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፍርቲ ሆንግ ኮንግ ኮፍ ኢሎም ዘለዉ ሰልፈኛታት ኮይና፡ ዛጊት ኣብ ልዕሊኦም ዝተወስደ ናይ ማእሰርቲ ሰጉምቲ የለን። በረራታት'ውን ከምቲ ዝተመደበሉ ይኸይድ ኣሎ። እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዝጀመረ ነቲ ጥርጡራት ገበነኛታት ሆንግ ኮንግ ንመስርሕ መርመራን ፍርድን ናብ ቻይና ኣሕሊፍካ ምሃብ ዝብል ሕጊ ብምቅዋም ኢዩ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49316234"} {"headline":"ቅልውላው ሱዳን፡ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳንን ሕብረት ተቓወምትን መሰጋጋሪ መንግስቲ ንምቛም ተሰማሚዖም","content":"መራሕቲ ወተሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፡ መረፃ ክሳብ ዝካየድ ምስ ሕብረት ተቓወምቲ ሱዳን ስልጣን ክመራቕሑ ተሰማሚዖም። ክልቲኦም ወገናት ስልጣን ናይቲ ሉዕላዊ ባይቶ ብውሑዱ ንሰለስተ ዓመታት እናተባረዩ ክመርሕዎ ከምዝተሰማምዑ እዩ ዝግለፅ ዘሎ። ኣብታ ሃገር ብሰብ ሞያ ዝምራሕ ናጻ መንግስቲ ክህልውን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ዝነበረ ግህሰታት እውን ንክፃረ ከምዝተሰማምዑ ድማ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ገሊፁ። ወተሃደራዊ ምምሕዳር ሱዳን ምስ ሲቪል ስልጣን ንምምርቓሕ ምውሳኑ ድማ፡ ንተቓውሞ ናብ ኣደባባባይ ክወጹ ዝጸንሑ ሱዳናውያን፡ ሓጎሶም ንምግላፅ ናብ ጎደናታት ክወፅኡ ኣገዲዱ እዩ። ኣእላፍ ሱዳናውያን እዚ ወተሃደራዊ መንግስቲ ስልጣን ንኽለቅቕ፡ ሓያሎ ተቓውሞ ከካይዱ እዮም ፀኒሖም። እዚ ስምምዕነት ቅድሚ ምፍራሙ ኣብ ዝነበሩ መዓልታት፡ ሰልፈኛታት ናብ ኣደባባይ ወጺኦም ስልጣን ንስቪል ምምሕዳር ክወሃብ ይሓቱ ነይሮም። ሸውዓተ ሰባት ዝተቐተሉ ክኸውን ከሎ፡ ካልኦት 181 ሰባት ድማ ኣብቲ ናዕቢ ኣካላዊ ማህሰይቲ በጺሕዎም እዩ። ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን ሕብረት ኣፍሪቃን፡ እቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ፡ ምስ ተቓወምቲ ዕርቂ ንክፍፅም ከሸማግሉ ፀኒሖም እዮም። ሕብረት ኣፍሪቃ ብምውካል ንክልቲኦም ወገናት ዘሸማገሉ ሞሓመድ ሓሰን ሌባት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፡ ልዑላዊ ባይቶ ዝቐውም ኮይኑ ንዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ድማ፡ ወተሃደራትን ስቪላትን እናተባረዩ ነቲ ባይቶ ብፕረዚደንትነት ክመርሕዎ እዮም። ድሕሪ እዚ ድማ፡ ሃገራዊ መረፃ ክክየድ እዩ። ንሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሑ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፡ ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኖም ምስተኣለዩን ስልጣን ብወተሃደራዊ ባይቶ ምስተታሕዘን፡ ሱዳን ሓያሎ ህዝባዊ ናዕብታት ኣጋጢምዋ እዩ።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48878836"} {"headline":"ሌ\/ጄነራል ኣብደልፋታህ ኣል-ቡርሃን፡ 'ሉኣላዊ' ቤት ምኽሪ ሱዳን ክመርሕ ተሸይሙ","content":"ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ክመርሕ ዝጸንሐ ሌተናል ጄኔራል ኣብደል ፋታህ ኣብደልራህማን ኣል-ቡርሃን፡ ናይቲ ከም ብሓድሽ ዝተጠየሸ ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ብሓላፍነት ክመርሕ ሎሚ መዓልቲ ተሸይሙ። ኣብ ሱዳን ናብ ዲሞክራሲ ዝግበር ስግግር ብቐንዱ ከሰጉም ዝተጣየሸ ሓድሽ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ፡ ሽድሽተ ሲቪላውን ሓሙሽተ ወተሃደራዊ መኮንናትን ኣባላት ዝሓቖፈ እዩ። ሓደ ድማ ካብ ክልቲኦም ወገን ዘይኾነ፡ ብናይ ሓባር ስምምዕ ዝሕረ ኣባል ክህልው ትጽቢት ይግበር። ገደብ እቲ ቤት-ምኽሪ ድማ 39 ኣዋርሕ ክኸውን እዩ ተወሲኑ። ካቢኔን ንዕኡ ዝመርሕ ቀዳማይ ሚንሰተርን ክህልው እዩ ተባሂሉ። ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም እቶም አመራርሐ ሲቭልያን ደለይቲ ለውጥን መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪን 'ታሪኻዊ' ስምምዕ ምፍርራሞም ዝዝከር እዩ። በቲ ስምምዕ መሰረት፡ ጀነራል ቡርሃን ነቲ ዝጸንሐ ስግግር ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ተኪኡ ነታ ዓዲ ዘመሓድር ላዕለዋይ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ንመጻኢ 21 ኣዋርሕ እዩ ክመርሖ። ካብኡ ቐጺሉ ድማ፤ ከም አቆጻጽራ ፈረንጂ፡ ኣብ 2022 ሃገራዊ መረጻ [ምርጫ] ክሳብ ዝካየድ ብካሊእ ሲቪላዊ መራሒ ክትካእ ምዃኑ ኣብቲ ስምምዕ ሰፊሩ እዩ። ከምኡ ድማ፡ ብሲቪልያን አመራርሓ ተቓውሞ ዝተሓረየ ስሙይ በዓል-ሞያ ቁጠባ ዓብደላ ሓምዶክ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ክሽውም እዩ። ሚኒስተራት ሚኒስትሪ ምክልኻል ሃገርን ሚኒስትሪ ውሽጢ-ዓድን ድማ ካብቲ ወተሃደራዊ ክፍሊ ክሕረዩ እዮም። እዚ ሓድሽ ካብ ሲቪልያንን ወተሃደራዊ ሓለፍትን ብጥምረት ዝጣየሽ ዘሎ ሓድሽ መንግስቲ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ውድቀት ፕረዚደንት ኦማር ኣልበሺር ስዒቡ ዝመጽአ እዩ። ፕረዚደንት ኦማር ኣልበሺር ንኣስታት 30 ዓመታት ንሱዳን ዝመርሑ እንትኸውን፡ ሓያል ህዝባዊ ተቓውሞ ስዒቡ ብወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ እዮም ካብ ስልጣኖም ተሰጒጎም።","category":"ተቓውሞ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49425524"} {"headline":"ኲናት ዩክረይን፡ ባይደን ንዘለንስኪ ሃገሩ በይና ከምዘይትኸውን ኣረጋጊጹሉ","content":"ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ዩክረይን ምስ ሩስያ እትገብሮ ኲናት \"ክንድ ድላዩ ግዜ ይውሰድ\" ኣሜሪካ ኣብ ጐድና ደው ክትብል ምዃና ንዘለንስኪ ኣረጋጊጹሉ። ዘለንስኪ ወራር ሩስያ ካብ ዝጅምር ንፈለማ እዋን ናብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዝገበሮ መገሻ ናብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝበጽሐሉ እዋን \"በይንኻ ኣይክትኸውንን ኢኻ\" ዝብል መብፅዓ ካብ ባይደን ረኺቡ’ሎ። ባይደን ንዩክረይን ልዕሊ 2 ቢልዮን ዶላር (1.7 ቢልዮን ፓውንድ) ዝግመት ሓድሽ ጥማር (‘ፓኬጅ’) ሓገዝ ከምዝወሃባ ካብ ምግላፁ ብተወሳኺ፡ ካልእ 45 ቢልዮን ዶላር እውን ነታ ሃገር ቃል ኣትዩ። ዘለንስኪ ብወገኑ ንደገፍ መንግስቲ ኣሜሪካ ምስጋናኡ ገሊጹ። ኣብቲ ናይ ረቡዕ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ባይደን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ነቲ ዓለምለኻዊ ጥምረት ንምውዳብ \"ፍጹም ስክፍታ ከምዘይነበሮ\" ኣረዲኡ። ገለ መሓዙት ሃገራት ብሰንኪ እቲ ግጭት ዘስዕቦ ወጻኢታትን ምዝንባዕን፡ ኣብ ጉዳይ ዓለማዊ ቀረብ መግብን ጸዓትን ጸቕጢ ክስመዐን ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታታት ኣብ ዝስምዓሉ ዘሎ እዋን፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ግን ብዛዕባ’ቲ ንዩክረይን ንምሕጋዝ ዝግበር ምትሕብባር \"ኣዝዩ ጽቡቕ\" ከምዝተሰምዖ ተዛሪቡ። ባይደን፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን \"ነዚ ሕሱም ኲናት ደው ከብሎ ሓሳብ ከምዘይብሉ\" ገሊጹ። ኣሜሪካ ከም ወሳኒት መሓዛ ዩክረይን፡ ዛጊት 50 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ሰብኣዊ፡ ፋይናንሳውን ጸጥታውን ሓገዛት ንምሃብ ቃል ኣትያ ኣላ። እዚ ድማ ካብ ንዝዀነት ሃገር ዝገበረቶ ሓገዝ ኣዝዩ ዝበዝሕ እዩ። መለለይኡ ዝኾነ ናይ ውግእ\/ወተሃደራዊ ቀጠልያ ካናቴራን ቡትን ተኸዲኑ ምስ ባይደን ዝተራኸበ ዘለንስኪ፡ ኮንግረስ ኣሜሪካ \"ክብርታትናን ናጽነትናን ክንከላኸል ክሕግዘና\" ተወሳኺ ሓገዝ 45 ቢልዮን ዶላር ከጽድቕ ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጹ። ኣብ ጥሪ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቈጻጸሩ ሪፓብሊካን፡ ንዩክረይን \"ዘይተገደበ ቸክ\" ከምዘይጽሕፉ መጠንቀቕታ ኣብ ምሃብ ይርከቡ። ካብ ፖላንድ ከተማ ርዘስዞው ብነፋሪት ሓይሊ ኣየር ኣሜሪካ ዝተጓዕዘ ዘለንስኪ ግን \"ኣብ ኮንግረስ ዝመጽእ ለውጢ ብዘየገድስ\" ንሃገሩ ዝግበር ደገፍ ክቕጽል እዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ተዛሪቡ’ሎ። ድሕሪ ኣኼባ ዋይት ሃውስ፡ ወዲ 44 ዓመት ፕረዚደንት ዩክረይን ኣብ ሓባራዊ ኣኼባ ኮንግረስ መደረ ዘስምዐ ኰይኑ ኣብኡ ድማ ኵሉ ደው ኢሉ ብጣቕዒት ተቐቢልዎ። ንሱ ሃገሩ ገና \"ኣንጻር ኵሉ ብድሆታት\" ትምክት ከምዘላ ብምግላጽ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ክህሉ ኣብ ዝኽእል ኲናት \"ነጥቢ መቐይሮ\" ከምዝህሉ ነቶም ሓገግቲ ኣተንቢሁ። ዩክረይን ፈጺማ ኢዳ ከምዘይትህብ'ኳ እንተተዛረበ፡ ተወሳኺ ኣጽዋር ከምዘድልያ ግን ካብ ምግላፅ ኣይተዓቀበን። \"ከበድቲ ኣጽዋር ኣለና፤ ነመስግን ድማ\" ዝበለ ዘለንስኪ \"ይኣክል ድዩ? ሓቂ ንምዝራብ እዅል ኣይኰነን\" ኢሉ። \"ሰራዊት ሩስያ ምሉእ ብምሉእ ክወጽእ ንምግባር፡ ተወሳኺ መዳፍዕን ተወንጨፍትን የድሊ\" ክብል’ውን ወሲኹ ገሊጹ። ዘለንስኪ መደረኡ ክዛዝም ከሎ፡ ኣብ ድሮ ናይ ዋሽንግተን መገሻኡ ዝበጽሓ ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ኣብ ቅድመ ግንባር እትርከብ ከተማ ባክሙት ብዘለዉ ወተሃደራት ዝተፈረመት ባንዴራ ዓውደ ውግእ ንኮንግረስ ኣወፍዩ። መንግስቲ ኣሜሪካ ትማሊ ረቡዕ ወግዓዊ ዝገበሮ ፓኬጅ ሓገዛት ንሓድሽ ስርዓተ ሚሳይል ፓትሪዮት ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ዩክረይን ንከተማታታ ብሩስያ ካብ ዝፍነዉ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ክትከላኸለለን ክሕግዛ ትጽቢት ይግበር። ዘለንስኪ ትማሊ ንሕቶታት ጋዜጠኛታት መልሲ ይህብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ \"ፓትርዮትስ [ሓድሽ ስርዓተ ሚሳይል] ምስ ተተኽሉ እንታይ ክኸውን'ዩ? ብድሕሪኡ ተወሳኺ ከምዘድልየና ንፕረዚደንት ባይደን መልእኽቲ ክንሰድድ ኢና\" ኢሉ። ኣስዒቡ፡ \"ኣብ ኲናት ኢና ዘለና። ኣይትሓዙለይ፡ ናይ ብሓቂ ይቕሬታ\" ክብል ምስተዛረበ ኣብኡ ዝነበሩ ተዓዘብቲ ብሰሓቕ ዓጂቦምዎ። ባይደን እውን ፍሽኽ ኢሉ፡ \"ንሰርሓሉ ኣለና ኢና\" ክብል ኣብ መንጐ ተዛሪቡ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፡ ወፈያ እቲ ካብ ምድሪ ናብ ኣየር ዝውንጨፍ ምዕቡል ስርዓት ሚሳይል ከም ትንኮያ ዝቝጸር ስጕምቲ ምዃኑ ገሊጹ። ፑቲን ትማሊ ረቡዕ ኣቐዲሙ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ሃገሩ ንኲናት ዩክረይን ተሓታቲት ከምዘይኰነት ከምዝኣምን ብምግላጽ ክልቲአን ሃገራት \"ዘሕዝን ኵነታት ይሓልፋ ኣለዋ\" ኢሉ። ሩስያ ብ24 ለካቲት ንዩክረይን ካብ እትወርር ንደሓር፡ ብውሕዱ 100 ሽሕ ወተሃደራት ሩስያን 100 ሽሕ ወተሃደራት ዩክረይንን ከምዝሞቱ ወይ ከምዝቘሰሉን ከምኡ ድማ ኣስታት 40 ሽሕ ሲቪላት ከምዝሞቱ ግምት ሰራዊት ኣሜሪካ የመልክት። ሕቡራት ሃገራት ነቶም ናብ ሩስያ ዝኣተዉ ሓዊሱ ኣብ መላእ ኣውሮጳ 7.8 ሚልዮን ሰባት ከምዝተሰዱ ይሕብር። እዚ ኣሃዝ ነቶም ካብ ገዛኦም ክሃድሙ ዝተገደዱ ግን ከኣ ኣብ ዩክረይን ዝተረፉ ዘጠቓልል ኣይኰነን።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4n2gwrd5zwo"} {"headline":"ኵናት ካብ ዝጅመር ኣስታት 13 ሽሕ ወተሃደራት ዩክረይን ከምዝሞቱ ተገሊጹ","content":"ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ካብ ዝጅመር፡ ኣስታት 13 ሽሕ ወተሃደራት ዩክረይን ከምዝሞቱ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ሓላፊ ዩክረይን ገሊጹ። ኣማኻሪ ፕረዚደንት  ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ምዮኮልዮ ፖዶልያክ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ ትጅምር ካብ 10 ሽሕ ክሳብ 13 ሽሕ ሰራዊት ሃገሩ [ዩክረይን] ከምዝሞቱ ገሊጹ። ዩክረይን ቁጽሪ ኣብ ውግኡ ዝሞትዋ ሰራዊት ክትሕብር ሳሕቲ ዝርአ ኮይኑ፡ እቲ ብምዮኮልዮ ፖዶልያክ ዝተወሃበ ርእይቶ ብሰራዊት እታ ሃገር ኣይተረጋገጸን ዘሎ። እቲ ሓላፊ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝሃቦ ተመሳሳለሊ መግለጺ መዓልታዊ ካብ 100 ክሳብ 200  ሰራዊት ዩክረይን ይሞቱ ምህላዎም ምግላጹ ዝዝከር’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን ማርክ ሚለለይ ዝተብሃለ ላዕለዋይ ጀነራል ኣሜሪካ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ ትጅምር ኣስታት 100 ሽሕ ሰራዊት ዩክረይን፡ 100 ሽሕ ሰራዊት ሩስያ ሞይቶም ወይ ቆሲሎም ኣለዉ ኢሉ ነይሩ’ዩ። ፕረዚደንት ኮምሽን ሕብረት ኣውሮጳ ዩስላ ቮን ደር ለይን ብረቡዕ ብቪድዮ ኣብ ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ፡ ክሳብ ሕጂ 100 ሽሕ ሰራዊት ዩክረይን ተቐቲሎም ኣለዉ ኢላ። እንተኾነ ወሃቢ ቃል ኮምሽን ሕብረት ኣውሮጳ እቲ ሓበሬታ ጌጋ ምዃኑ ብምሕባር እቲ 100 ሽሕ ዝብል፡ ንቁጽሪ ምውታትን ንቁስላትን ዝሓወሰ ምዃኑ ኣብሪሁ። ኣማኻሪ ፕረዚደንት  ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ምዮኮልዮ ፖዶልያክ ቻነል24 ንዝተባሀለት ቴለቪዥን ዩክረይን ኣብ ዝሃቦ ቃል: “ብዛዕባ ዝሞቱ ሰራዊት ብግልጺ ምዝራብ ከድሊ’ዩ” ኢሉ። እቲ ኣማኻሪ ፕረዚደንት “ብቤት ጽሕፈት ጀነራልን ብቤት ጽሕፈት ኣዛዚ ሰራዊት ዩክረይንን [ፕረዚደንት ዘለንስኪ] ወግዓዊ ገምጋም ገይርናሉ ኢና፡ ስለዚ ቁጽሪ ናይ ዝተቐተሉና ሰራዊት ካብ 10 ሽሕ ክሳብ 13 ሽሕ’ዩ” ኢሉ። ንሱ ብምስዓብ ቁጽሪ ዝተቐተሉ ሰለማውያን ሰባት ግን “ዓቢ’ዩ” ኢሉ። ቢቢሲ ኣብ መፋርቅ ወርሒ ሰነ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰለማውያን ሰባት ኣስታት 3600 በጺሑ ምንባሩ ኣረጋጊጹ ነይሩ’ዩ: እንተኾነ እቲ ቁጽሪ ካብቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ዝነበሮ ኣዝዩ ክውስኽ ከምዝኽእል ርጉጽ’ዩ። እቲ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ሩስያ 24 ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ ትጅምር ኣትሒዛ 100 ሽሕ ሰራዊት ከምዝተቐተልዋን ካብ 100 ሽሕ ክሳብ 150 ሽሕ ኸኣ ሰንኪሎምን ሃለዋቶም ጠፊኡን ከምዘሎ ሓቢሩ። ቢቢሲ ራሻ ሞት ናይ 9311 ዝተፈላለጸ ጽፍሒ ዘለዎም ሰራዊት ሩስያ’ኳ ክትንስድ እንተኸኣለት ካብ 24 ለካቲት ኣትሒዙም ዝሞቱ ወተሃደራት ሩስያ ግን ልዕሊ 18600 ክኸውን ከምዝኽእል’ዩ ዝግመት።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cx7q3xj674no"} {"headline":"ሓለፍቲ ስለያ ኣሜሪካን ሩስያን ኣብ ቱርኪ ተራኺቦም","content":"ሓለፍቲ ስለያ ኣሜሪካን ሩስያን፡ ሞስኮ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ንዘንጸላለወቶ ስግኣት ኒኩሌርን ኣብ ሩስያ “ብግፍዒ” ዝተኣስሩ ኣሜሪካውያን ንምፍታሕን ገጽ ንገጽ ተራኺቦም ተዘራሪቦም። ዳይሬክተር ሲኣይኤ ዊሊያም በርንስን ሩስያዊ መዘንኡ ሰርገይ ናሪሽኪን፡ ትማሊ ኣብ ርእሰ ከተማ ቱርኪ ኣንካራ ከም ዝተራኸቡ ተገሊጹ። እቲ ዘተ፡ “ብተበግሶ ኣሜሪካ” ዝተፈጸመ’ዩ ክትብል ሩስያ ገሊጻ። ሩስያ፡ ንዩክረይን ድሕሪ ምውራራ ሰብ መዚ ክልቲአን ሃገራት ብወግዓዊ መገዲ ክራኸቡ እዚ ፋልማይ እዩ። ካብ 2005 ክሳብ 2008 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣምባሳደር ኣሜሪካ ዝነበረን ቋንቋ ሩስኪ ዝዛረብን በርንስ ኣብ ዙርያ ምብቃዕ እቲ ኲናት ከም ዘይተደራደረ ዋይት ሃውስ ሓቢሩ። መልእኽቲ እቲ ሓላፊ ኣብ ዙርያ “ሩስያ ኣጽዋር ኒኩሌር እንተተጠቒማ ዘኸትሎ ሳዕቤን” ከምኡ’ውን “ናብ ቀጠናዊ ቅልውላው ክዓቢ ይኽእል’ዩ” ዝብል ስግኣት ከም ዝዀነ መግለጺ ዋይት ሃውስ የመልክት። ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ፡ ሞስኮ ኣብ ዩክረይን ታክቲካዊ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ከይትጥቀም ኣሜሪካ ብተደጋጋሚ ከተጠንቅቕ ጸኒሓ እያ። እዚ ድማ ክረምሊን ከምኡ ክትገብር ከም እትኽእል ካብ ዘርኣየቶ ምልክታት ዝብገስ ከም ዝነበረ ትገልጽ። ኣብ ወርሒ መስከረም ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ምዕራባውያን ሃገራት ንሩስያ ከጥፍእዋ ከም ዝደልዩ ብምኽሳስ፡ ግዝኣቱ ንምሕላው \"ኩሉ ዘሎ ኣገባባት\" ክጥቀም ምዃኑ ኣስሚሩሉ ነይሩ። እዚ ድማ ኒኩለራዊ ኣጽዋር ከይትጥቀም ዝብል ስግኣት ኣሕዲሩ ጸኒሑ። ኣሜሪካ ድማ፡ ነቲ ስግኣታት ብዕቱብ ከም እትወስዶ ገሊጻ። ኣብ መንጎ በርንስን ሓላፊ ኣገልግሎት ስለያ ወጻኢ ሩስያ ናሪሽኪንን ዝተኻየደ ርክብ፡ ብወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ዝተረጋገጸ ኰይኑ፡ ቱርኪ፡ ሩስያ ኣብ ወርሒ ለካቲት ንዩክረይን ካብ እትወርር ኣትሒዙ ክልቲአን ሃገራት ንምዝርራብ ጻዕሪ ክትገብር ጸኒሓ እያ። መግለጺ ዋይት ሃውስ ከም ዘመልክቶ፡ በርንስ \"ዝኾነ ዓይነት ድርድር ከም ዘየካይድ\" ብምግላጽ፡ ዋሽንግተን \"ዩክረይን ኣብ ዘየላትሉ ብዛዕባ ዩክረይን ዝዀነ ነገር ኣይፍጸምን” ኣብ ዝብል መሰረታዊ መትከላ ከም እትጸንዕ ሓቢሩ። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ድማ፡ ኣብቲ ኣብ ባንግላድሽ ዝካየድ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ 20 ምስ ቻይናዊ መዘንኡ ዢ ጂንፒንግ ተራኺቡ ኣሎ። ክልቲአን ሃገራት፡ “ኣብ ዩክረይን ንኣጠቓቕማ ወይ ምጥቃም ኒኩለራዊ ኣጽዋር ዘለዎም ተቓውሞ ኣስሚሮምሉ\" ይብል መግለጺ ዋይት ሃውስ። ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዝወጽአ መግለጺ ድማ፡ ፕረዚደንት ዢ፡ ኒኩለራዊ ኣጽዋር ምጥቃም ከም ዘየድልን ናብ ኒኩለራዊ ኲናት ምኻድ ከም ዘየዋጽእን ንባይደን ከም ዝተዛረቦ የመልክት። ኣኼባ ሓለፍቲ ስለያ ኣሜሪካን ሩስያን ኣመልኪቱ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ እቶም ሰበስልጣን ኣብ ሩስያ \"ብዘይፍትሓዊ መንገዲ\" ዝተኣስሩ ዜጋታት ኣሜሪካ ዝምልከት'ውን ይዛተዩ ከም ዘለዉ ሓቢሩ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ ኣመሪካዊት ኰኸብ ኩዕሶ ሰኪዐት ብሪትኒ ግሪነር፡ ዘይቲ ካናቢስ ብዘይሕጋዊ መገዲ ብምስግጋርን ብምሓዝን ን9 ዓመታት ክትእሰር ተፈሪድዋ እዩ። ኣብ ሩስያ ካናቢስ ምጥቃም ዘይሕጋዊ ክኸውን እንከሎ፡ ሞስኮ ንግሪነር \"ከም ፖለቲካዊ ትሕጃ” እያ ተጠቒማትላ ይብሃል። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ምምሕዳር ባይደን ግሪነር ንክትፍታሕ፡ ከምኡ’ውን ሞስኮ ብገበን ስለያ ዝኸሰሰቶ ኣባል ሓይሊ ኣየር ነበር ፖል ዌላን ንምፍታሕ፡ ምስ ሩስያ ናይ እሱራት ምልውዋጥ ንምግባር ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ። ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ኣሜሪካ ኣናቶሊ ኣንቶኖቭ ሎሚ ሰሉስ ምስ ሰበስልጣን ዋይት ሃውስ ብምርኻብ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣሜሪካ ዝርከቡ ሩስያውያን ክዘራረብ ምዃኑ እቲ ኤምባሲ ኣፍሊጡ ኣሎ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72nley8xdzo"} {"headline":"ሩስያዊ ተሸላሚ ኖቤል፡ ሽልማቱ ክነጽግ ስበስልጣን ሃገሩ 'መኺሮሞ'","content":"ሩስያዊ ሓባራዊ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም እዚ ዓመት፡ ሰበስልጣን ክረምሊን ነቲ ሽልማት ክነጽጐ ከም ዘለዎ ከም ዝዝመኸርዎ ገሊጹ። ‘ሜሞርያል’ ንዝተባህለ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሩስያ ዝመርሕ ዝነበረ ያን ራቺንስኪ፡ እቶም ምስኡ ሓቢሮም ነቲ ሽልማት ዝተረቝሑ ክልተ፤ ዩክሬናዊ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ተሓላቒ መሰላት ቤላሩስን - \"ዘይግብኦም\" ክትብል ሩስያ ስለዝተቘጸረቶም፡ እቲ ሩስያዊ ነቲ ሽልማት ከይቅበሎ ከምዝተነግሮ ገሊጹ። ሜሞርያል ሓደ ካብቶም ገዳይም ትካላት ተጣበቕቲ ሲቪላዊ መሰላት ሩስያ ኰይኑ፡ ዝሓለፈ ዓመት ብመንግስቲ ከም ዝተዓጽወ ይፍለጥ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶ ኣይሃበን። ሚስተር ራቺንስኪ ምስ ‘ቢቢሲ ሃርድቶክ’ ኣብ ዝገበሮ ፍሉይ ቃለ መጠይቕ፡ ትካሉ ነቲ ሽልማት ክነጽጐ ‘ምኽሪ’ ከም ዝተቐበለ ብምግላጽ፡ እዚ ግን \"ባህሪያዊ እዩ፤ እንተዀነ ነዚ ምኽሪ’ዚ ኣቓልቦ ዝህቦ ግን የለን\" ኢሉ። ራቺንስኪ፡ ዋላ'ኳ ንድሕነቱ ሓደጋ እንተጋጠሞ፡ ስርሓት ትካል ሜሞርያል ኣገዳሲ ምዃኑ ይገልጽ። \"ኣብዛ ናይ ሎሚ ሩስያ፡ ድሕነት ዝኾነ ውልቀሰብ ሰብ ውሑስ ኣይኰነን\" ብምባል፡ \"እወ. . . ብዙሓት ተቐቲሎም እዮም፣ ተሓታትነት ዘይምህላው ግን መንግስቲ ናበይ ገጹ የምርሕ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ፤.. ካብዚ ጉድጓድ’ዚ ብዝዀነ መንገዲ ክንወጽእ ኣለና።\" ቀዳማይ ኣቦ መንበር ሜሞርያል፡ ኣርሰኒ ሮጂንስኪ፡ ብሰንኪ’ቲ ዘካየዶ \"ጸረ ኮሚኒስት\" ዝዀነ ታሪኻዊ መጽናዕቲ ናብ መዓስከራት ግዱድ ዕዮ ሕብረት ሶቭየት ተላኢኹ ምንባሩ ይፍለጥ። ኮሚቴ ሽልማት ኖቤል ነቶም ተዓወትቲ ሽልማት ኣብ ዝገለጸሉ እዋን፡ ሜሞርያል \"ሓደስቲ ገበናት ንምክልኻል ንዝሓለፉ ገበናት ምግጣም ኣገዳሲ እዩ\" ብዝብል ሓሳብ ዝተመስረተ ክብል ገሊጽዎ ነይሩ። ሚስተር ራቺንስኪ፡ እቲ ኮሚተ ነቲ ሽልማት ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዝርከቡ ተሸለምቲ ክወሃብ ዝወሰዶ ውሳነ \"ዝድነቕ\" ክብል ገሊጽዎ። \"ሲቪላዊ ማሕበረሰብ ብዶብ ሃገራት ከምዘይመቓቐል፡ ናይ ሓባር ጸገማት ንምፍታሕ ብሓባር ዝሰርሕ ሓደ ኣካል ምዃኑ\" መርትዖ እዩ ኢሉ። እንተዀነ፡ ሓደ ሩስያዊ ምስቶም ካልኦት ተሸልምቲ ምርቍሑ ዝተወሰደ ውሳነ ኣካታዒ ኰይኑ ጸኒሑ'ዩ። እታ ንማእከል ሲቪላዊ ሓርነት ዩክረይን እተካይድ ሓንቲ ካብቶም ተዓወትቲ ሽልማት ዝዀነት ዩክሬናዊት ኦሌክሳንድራ ማትቪቹክ’ውን ኣብ ጐድኒ ሚስተር ራቺንስኪ ኰይና ቃለመጠይቕ ምግባር ኣብያ እያ። ማእከል ሲቪላዊ ሓርነት ኣብ ዩክረይን ዲሞክራሲ ንምድንፋዕን ኣብታ ሃገር ብሩስያ ተፈጺሞም ንዝበሃሉ ገበናት ኲናት ብምምርማር ብዝሰርሖ ስራሕ ኣፍልጦ ዝረኸበ ዩክሬናዊ ትካል እዩ። ሚስ ማትቪቹክ፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲንን ካልኦት ሩስያውያንን ኣብ ዩክረይን ብዝወሰድዎ ተግባራት ተሓተትቲ ንምግባር፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት እኹል ስለዘይኰነ ሓድሽ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክቐውም ጸዊዓ። \"እቲ ሕቶ፡ ንኣማኢት ኣሽሓት ግዳያት ገበናት ኲናት መን ፍትሒ ይሃቦም? ዝብል'ዩ፡\" ኢላ። ብተወሳኺ ሩስያ ነቲ ኲናት ከም መሳርሒ ጂኦፖለቲካዊ ዕላማታታ ንምዕዋት ትጥቀመሉ ከምዘላን፡ ኣብኡ ንኽትዕወት ድማ ገበናት ኲናት ትፍጽም ኣላ ክትብል ከሲሳ። ሳልሳይ ተዓዋቲ ኖቤል ሰላም፡ ካብ ሓምለ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ኣብ ሃገሩ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ቤላሩስያዊ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣለስ ቢያልያትስኪ እዩ። ንሱ መስራቲ ማእከል ሰብኣዊ መሰላት ቪያስና (ጽድያ) እታ ሃገር ኰይኑ፡ እቲ ማእከል፡ ምልካዊ መራሒ ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሸንኮ ኣብ ጐደናታት ንዝካየድ ዝነበረ ተቓውሞታት ብጭካነ ንምጭፍላቕ ንዝወሰዶ ስጕምቲታት ግብረመልሲ ንምሃብ ኣብ 1996 ዝተመስረተ እዩ። ቢያልያትስኪ ቅድሚ ሕጂ ንሰለስተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ኣብ 2014 ተፈቲሑ። ሚስ ማትቪቹክ፡ ነዚ ቤላሩስያዊ መተዓውትታ፡ \"ኣዝዩ ተባዕ ሰብ ስለዝኾነ፡ ቃልሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኰይኑ’ውን ክቕጽሎ'ዩ\" ኢላ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cgldp1gl724o"} {"headline":"ሩስያ ኣብ ኲናት ዩክረይን 200 ሽሕ ወተሃደራት ከሲራ ክትከውን ትኽእል'ያ-ኣመሪካ","content":"ኣብ ኲናት ዩክረይን ኣስታት 100,000 ወተሃደራት ሩስያ ምዉታትን ቁሱላትን ክኾኑ ከምዝኽእሉ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ተዛሪቡ። ኣቦመንበር ሓለቓታት ጠቕላሊ-ስታፍ ሰራዊት ኣመሪካ ጀነራል ማርክ ሚሊ ከምዝበሎ፡ ዩክረይን'ውን ኣስታት 100 ሽሕ ወተሃደራት ከሲራ ክትከውን ከምእትኽእል ግምቱ ሂቡ'ሎ። ኣስታት 40,000 ሲቪላውያን ኣብቲ ልዕሊ 8 ኣዋርሕ ኣቚጺሩ ዘሎ ግጭት ከምዝተቐትሉ እቲ ጀነራል ኣሚቱ። እቲ ግምት ክሳራታት፡ ካብቲ ብሰበስልጣን ምዕራባውያን ሃገራት ክወሃብ ዝጸንሐ እቲ ዝዓበየ እዩ። ብጸረ መጥቃዕቲ ሰራዊት ዩክረይን ዝተደፍኡ ሓይልታት ሩስያ ካብታ ዞባዊት ርእሰከተማ ዝኾነት ኬርሶን ይስሕቡ ከምዘለዉ ነቲ ኲናት ዝመርሕ ዘሎ ሩስያዊ ኣዛዚ ብወግዒ ኣፍሊጡ'ሎ። ኣብዚ ቀረባ እዋናት፡ ሰራዊት ዩክረይን ሰፊሕ ቦታታት ካብ ኢድ ሓይልታት ሩስያ ክምንዝዕ ጸኒሑ'ዩ። ኪቭ ምስ ሩስያ ሰላማዊ ዘተ ከተካይድ ድልውቲ ምዃና ዝገልጽ ምልክታት ምሃባ'ውን፡ ንልዝብ ዕድል ዝፈጥር'ዩ ክብል ጀነራል ሚሊ ገሊጹ። ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ምስ ሩስያ ክዘራረብ እንተኾይኑ፡ ሩስያዊ መዘናኡ ቭላድሚር ፑቲን ካብ ስልጣኑ ክእለ'ዩ ክጠልብ ጸኒሑ። ሕጂ ግን ነቲ ቅድመ-ኲነት ኣውሪድዎ'ሎ። እቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ከምዝብሎ፡ ኣብቲ ኲናት ዓወት \"ብወተሃደራዊ ኣገባብ ክረጋገጽ ስለዘይክእል፡ ካልእ ኣገባብ ሃሰስ ክትብል ኣለካ\" ክብል ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ጠቒሱ። \"ልዕሊ 100,000 ምዉታትን ቁሱላትን ወተሃደራት ኢኻ ትዛረብ ዘለኻ\" ዝበለ ጀነራል ሚሊ፡ \"ብወገን ዩክረይን'ውን ተመሳሳሊ'ዩ ዝኸውን\" ኢሉ። ሩስያን ዩክረይንን ዝወረደን ክሳራት ብዓቢ ጥንቃቐ'የን ሰቲረንኦ ዘለዋ። እቲ ዝለዓለ ወተሃደራዊ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዝኾነ ጀነራል ማርክ ሚሊ፡ እቲ ኩነታት ክልቲአን ሃገራት ብሰንኪ ቀዝሒ ሓጋይ ውግእ ኣብ ዘቋርጻሉ ናብ ድርድር ክኣትዋ ክድርኸን ይኽእል'ዩ ክብል ተዛሪቡ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም፡ ሩስያ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር 5,937 ወተሃደራት ጥራይ ከምዝተቐትሉዋ ገሊጻ ነይራ። ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ሰርገይ ሾይጉ፡ እቲ ክሳራ ካብኡ ዝዓበየ ምዃኑ ንዝገልጽ ጸብጻባት ክነጽጎ'ዩ ጸኒሑ። ዩክረይን ብወገና፡ ክሳራታታ ብኣሃዝ ከብ ምግላጽ ዝተዓቀበት'ኳ እንተኾነት፡ ሓለቓ-ስታፍ ሰራዊታ ግና ኣብ ነሓሰ ኣስታት 9,000 ከምዝተቐተሉ ተዛሪቡ ክብላ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን ነይረን። ሕቡራት ሃገራት፡ ብክልቲኦም ዝወሃብ ኣሃዛት ክሳራት ተኣማንነት የብሉን ዝብል መርገጺ'ዩ ዘለዎ። እቲ ኲናት ኣብ ስቪላውያን ከቢድ ስቓይ ከምዘስዓበ ዝገለጸ እቲ ኣመሪካዊ ጀነራል፡ ብ24 ለካቲት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ካብ 15 ክሳብ 30 ሚልዮን ስደተኛታት ከምዝፈጠረ የረድእ። ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ግን፡ 7.8 ዩክሬናውያን ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳን ሩስያን ከምዝወሓዙ'ዩ ዝገልጽ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ቁጽሪ ነቶም ኣብ ውሽጢ'ታ ሃገር ዝተፈናቐሉ ኣይጠቓልልን'ዩ። ትማሊ ረቡዕ፡ ሞስኮ፡ ሓይልታታ ካብታ ዝዓበየት ዝተቖጻጸሩዋ ደቡባዊት ከተማ ኬርሶን ክስሕቡ ምዃኖም ኣፍሊጣ ነይራ። ኣብታ ከተማ ካብ 20 ክሳብ 30 ሽሕ ወተሃደራት ይተኣኻኸቡ ከምዘለዉን፡ እቲ ናይ ምዝላቕ ስጉምቲ ሓያለ ሰምንታት ክወስድ ከምዝኽእልን እቲ ጀነራል ኣሚቱ። እቲ ምንስሓብ፡ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣስታት 300 ሽሕ ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ክኸቱ ድሕሪ ምጽውዑ'ዩ ዝካየድ ዘሎ። እቲ ኩነታት ሰራዊት ሩስያ ኣብ ዓውደ-ውግእ ከቢድ ስዕረት ከምዘጋጠሞ ዘርኢ'ዩ ክብሉ ወተሃደራውያን ተንተንቲ ይገልጹ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw0q0dy4gzxo"} {"headline":"ዜለንስኪ፡ ሩስያ ኣብ ኼርሶን ገበናት ኲናት ፈጺማ ኢሉ","content":"ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዜለንስኪ፡ መርመርቲ ኣብቲ ሓይልታት ሩስያ ከንሳሕቡ እንከለው ገዲፎምዎም ዝወጽኡ ከባቢታት ኼርሰን ልዕሊ 400 ገበናት ኲናት ከም ዘቃልዑ ገሊጹ። ዜለንስኪ፡ ኣብቶም ከባቢታት ኣስክሬናት ሲቪላትን ወተሃደራትን ከም ዝተረኸበ ተዛሪቡ። እንተዀነ፡ ቢቢሲ ነቲ ክሲ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን። ሩስያ ግን፡ ሰራዊታ ኰነ ኢሎም ንሲቪላት ዒላማ ከም ዘይገበሩ እያ ትገልጽ። እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሰበ-ስልጣን ዩክረይን ሰዓት እቶ እቶን እገዳታትን ብምእዋጅ ካብ ኼርሰን ንምውጻእን ንምእታውን ዝግበር ጉዕዞ ገዲቦም ኣለዉ። \"ሰራዊት ሩስያ ከምቲ ኣብ ካልኦት ዞባታት ሃገርና ዝፈጸሞ፡ ኣብ ዞባ ኼርሰን’ውን ተመሳሳሊ ግፍዒ ፈጺሙ ወጺኡ ኣሎ። ብዘይጥርጥር፡ ነፍሲ ወከፍ ቀታሊ ናብ ሕጊ ከነቕርቦ ኢና” ክብል ዜለስንኪ ተዛሪቡ። እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣብ ቡቻ፣ ኢዚዩምን ማሪዩፖልን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ዩክረይን ጃምላዊ መቓብር ተረኺቡ ኣሎ። ዩክረይን ብድሕሪ እቲ ግፍዒ ሰራዊት ሩስያ ከም ዘለዉ ትኸስስ። ሓደ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዩክረይን ገበናት ኲናት ከም ዝተፈጸመን፡ ኣብ ምጅማር እቲ ወራር ንዝተፈጸሙ \"ብዝሒ\" ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ሓይልታት ሩስያ ተሓተትቲ ምዃኖምን ገሊጹ ነይሩ። ከተማ ኼርሰን፡ ሩስያ ኣብ ወርሒ ለካቲት ንዩክሬይን ክትወርር እንከላ ጀሚሩ ብሩስያ ዝተታሕዘት እንኰ ዞባዊት ርእሰ ከተማ እያ ነይራ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ሩስያ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ድማ፡ ዞባ ኼርሶን እትርከቦ ካልኦት ሰለስተ ዞባታት ኣካል ሩስያ ምዃነን ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣዊጁ ነይሩ። ይኹን’ምበር፡ እታ ከተማ ብዓርቢ ብወተሃደራት ዩክረይን ሓራ ወጺኣ ኣላ። ብርክት ዝበሉ ነበርቲ ድማ፡ ባንዴራ ዩክረይን ሒዞም ንወተሃደራት ኪቭ ብታሕጓስ ክቕበሉዎም ተራእዮም። ሰብ መዚ ምምሕዳር ኼርሰን’ውን ኣስታት 30 ሽሕ ሰራዊት ሩስያ፡ ምስ ኣንሳሐቡ ናብ ቦታኦም ተመሊሶም ኣለው። ዩክሬናውያን፡ ነዚ ከም ዓቢ ሃገራዊ ዓወትን ውርደት ሩስያን ገይሮም ይርእይዎ፤ እዚ ድማ ምስቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ሩስያ ካብ ከባቢታት ኪየቭ ምንስሓባ ዝመጣጠን እዩ። እንተዀነ፡ ሕጂ’ውን ገለ ወተሃደራት ሩስያ ኣብታ ከተማ ተሓቢኦም ክተርፉ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስግኣት ክህሉ እንከሎ፡ ኣብ እዋን እቲ ወራር ንሩስያውያን ሓጊዞም’ዮም ዝተባህሉ ተሓባበርቲ ድማ ክኽሰሱ ተኽእሎ ከም ዘሎ ይግለጽ። ፕረዝደንት ዜለንስኪ፡ ምእሳር \"ኣብዚ መሬት ንድሕሪት ዝተረፉን ኣብ ምዕናው ንብረት ዝተሳተፉን” ወተሃደራት ሩስያን ዕሱባትን ይቕጽል ኣሎ ኢሉ። ሓይልታት ዩክረይን፡ ዝተቛረጹ ኣገልግሎታት ኢንተርነትን ቴሌቪዥንን ናብ ንቡር ንምምላስ ይሰርሑ ከም ዘለው ዝጠቐሰ እቲ ፕረዚደንት፡ ቐረባት ማይን ኤሌኬትሪክን ድማ “ኣብ ዝሓጸረ እዋን\" ክጅምር ምዃኑ ሓቢሩ። ሕጂ’ውን ግን፡ ወተሃደራት ሩስያ ዳግማይ ደብዳብ ንምጅማር ኣብ ገምገም ሩባ ዲኒፕሮ ድፋዓት ይኹዕቱ ኣለው ዝብል ስግኣት ኣሎ። ሰበ ስልጣን ኼርሰን፡ ካብ 13 ክሳብ 19 ሕዳር 2022 በቲ ሩባ ዝግበር ጉዕዞ ከልኪሎም ኣለው። ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብ ገዝኦም ርሒቘም ዝጸንሑ፡ ዝተቐብሩ ነተጒቲ እንተሃለዎ ክሳብ ዝምርመር፡ ንከይምለሱ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ኣሎ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cmlk3nxzepno"} {"headline":"ኣሜሪካ፡ 'ኢራን ላዕለወይቲ ወተሃደራዊ ደጋፊት ሩስያ እያ'","content":"ርክብ ሩስያን ኢራንን ናብ ምሉእ ሽርክነት ምክልኻል ከምዝበረኸ ኣሜሪካ ገሊጻ። ሩስያ ተራእዩ ዘይፈልጥ ደረጃ ወተሃደራዊ ደገፍ ትህብ ከምዘላ ወሃቢ ቃል ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ጆን ኪርቢ ገሊጹ። ኣሜሪካ፡ ክልቲአን ሃገራት ሓባራዊ ቀተልቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ንምፍራይ ይሓስባ ከምዘለዋ ዝገልጽ ጸብጻባት ርእያ’ያ ክብል ወሲኹ ሓቢሩ። ኣውስትራልያ ንሩስያ ኣንጻር ዩክሬን ክትጥቀመለን እትኽእል ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብምቕራቦም ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ኢራናውያንን ሓደ ኢራናዊ ትካልን እገዳ ከምዘንበረት ኣፍሊጣ እያ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ሩስያን ኢራንን ዘሎ ምትሕብባር ጎሊሑ ክረአ እንከሎ፡ ዩክሬን፡ ሩስያ መጥቃዕትታታ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኢራን ተጠቒማ ክትብል ከሲሳ። ኢራን፡ ፈለማ ናብ ሩስያ ዝኾነ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዘይሰደደት ድሕሪ ምኽሓዳ፡ ድሒራ ቅድሚ ወራር ዩክሬን ገለ ሰዲዳ ከምዝነበረት ተኣሚና። ኪርቢ ኣብ መንጎ ኢራንን ሩስያን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ንምፍራይ ዝግበር ሽርክነት ንዩክሬን፡ ጎረባብቲ ሃገራት ኢራንን ማሕበረሰብ ዓለምን ጎዳኢ ከምዝኸውን ገሊጹ። \"ሩስያ ምስ ኢራን ኣብ ከም ምምዕባል ኣጽዋር፡ ስልጠና ዝኣመሰሉ መዳያት ክትተሓባበር ትጽዕር ኣላ\" ዝበለ ኪርቢ፡ ሩስያ ሄሊኮፕተራትን ስርዓታት ምክልኻል ኣየርን ሓዊሱ \"ንኢራን ምዕቡል ወተሃደራዊ ኣጽዋራት ክትህባ\" ትሓስብ ከይትህሉ ከምትሰግእ ሓቢሩ። \"ኢራን ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ደጋፊት ሩስያ ኮይና ኣላ...\" ኢሉ። \"ሩስያ ንመሰረተ ልምዓት ጸዓት ዩክሬን ንምውቃዕ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኢራን ክትጥቀም ጸኒሓ'ያ፡ እዚ ድማ ንሚልዮናት ዩክሬናውያን ሓይሊ፡ ሙቐት፡ ወሳኒ ኣገልግሎታት ክስእኑ ገይሩ'ዩ። ሎሚ ኣብ ዩክሬን ዝርከቡ ሰባት ብሓቂ ብሰንኪ ተግባራት ኢራን ይሞቱ ኣለዉ።\" ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ጀምስ ክለቨርሊ ንርእይቶ ኪርቢ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ኢራን ሓንቲ ካብተን ቀንዲ ወተሃደራዊ ደገፍቲ ሩስያ ኮይና ምህላዋን፡ ኣብ መንጎአን ዘሎ ርክብ ንዓለማዊ ጸጥታ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑን ገሊጹ። ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈጸመ \"ጽዩፍ ስምምዓት\" ኢራን ኣማኢት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ናብ ሩስያ ከምዝሰደደት ሓቢሩ። ወሲኹ’ውን፡ ሩስያ \"ንኢራን ወተሃደራውን ቴክኒካውን ደገፍ ትህብ ኣላ፡ እዚ ድማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝርከቡ መሻርኽትና ከምኡ'ውን ኣብ ኣህጉራዊ ጸጥታ ዘስዕቦ ሓደጋ ዝውስኽ'ዩ\" ኢሉ። ሩስያ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ባሊስቲክ ሚሳይላት ሓዊሱ ተወሳኺ ኣጽዋር ክትሕዝ ኣብ እትፍትነሉ ዘላ እዋን፡ ኢራን ንወተሃደራዊ ሓይሊ ሩስያ እትህቦ ደገፍ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ክዓቢ ምዃኑ ይሕብር። ዩክሬን፡ ኢራን ንሩስያብ17 ጥቅምቲ ብውሑዱ ሸሞንተ ሰባት ዝቐተለ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ዝፈጸመትሉ \"ካሚካዘ\" ዝበሃላ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዘቕረበት ትኸስስ። ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ዩክሬን ኣብ መዓልቲ ኣስታት 10 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኢራን ተውድቕ ከምዘላን ገሊጹ። ሎሚ ቀዳም፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣውስትራልያ ፔኒ ቮንግ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ \"እቲ ቀረብ ሰብኣልቦ ነፈርቲ፡ ኢራን ኣብ ምብራስ ዓለማዊ ጸጥታ እትጻወቶ ተራ መርትዖ እዩ። እዚ ዝርዝር [እገዳ] ነቶም ንሩስያ ንዋታዊ ደገፍ ዝህቡ ሳዕቤን ከምዘጋጥሞም ዘጉልሕ'ዩ\" ኢላ። ብተወሳኺ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ወዲ 22 ዓመት ማህሳ ኣሚኒ ኣብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምሟቱ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ጸረ መንግስቲ ሰልፈኛታት ዝተፈጸመ ኣረሜናዊ ኣተሓሕዛ፡ ንኻልኦት 19 ሰባትን ፖሊስ ሞራል ኢራን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣካላት ስጉምትታት ከምዝወሰደት ኣፍሊጣ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw0wk9k7yygo"} {"headline":"ቅትለት ጆን ኤፍ ኬነዲ ዝምልከቱ ኣሽሓት ፋይላት ተዘርጊሖም","content":"ዋይት ሃውስ ብዛዕባ ቅትለት ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ጆን ኤፍ ኬነዲ ዝምልከቱ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰነዳት ንመጀመርታ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ዕላዊ ክዀኑ ኣዚዙ። ኣስታት 13,173 ፋይላት ብኢንተርነት ድሕሪ ምዝርጋሖም፡ ዋይት ሃውስ ልዕሊ 97 ሚእታዊ ካብቲ እኽብካብ መዛግብቲ ወጺኦም ሕጂ ንህዝቢ ዕላዊ ከምዝዀኑ ገሊጹ። ካብቶም ሰነዳት ዝዀነ ዓቢ ዝቃላዕ ሚስጥር ክህሉ ትጽቢት እንተዘይሃለወ’ኳ፡ ተመራመርቲ ታሪኽ ግን ብዛዕባ እቲ ቅትለት ዝያዳ ክፈልጡ ተስፋ ይገብሩ። ኬነዲ ብ22 ሕዳር 1963 ኣብ ዳላስ ቴክሳስ ኣብ ዝገበሮ ዑደት እዩ ብጥይት ተቐቲሉ። ኣብ 1992 ዝወጸ ሕጊ፡ መንግስቲ ኵሉ ሰነዳት ናይቲ ቅትለት ክሳብ ጥቅምቲ 2017 ዕላዊ ክገብር ይጠልብ ነይሩ። ትማሊ ሓሙስ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነቲ ዕላዊ ክኸውን ፍቓድ ዝህብ ፈጻሚ ትእዛዝ ኣውጺኡ። እንተዀነ ገለ ፋይላት፡ \"ክልለዩ ዝኽእሉ ጉድኣት\" ከይፍጠሩ ንምክልኻል ክሳብ ሰነ 2023 ናብ ህዝቢ ከምዘይቀርቡ እቲ ፕረዚደንት ሓቢሩ። ሃገራዊ ማህደር ኣሜሪካ፡ 515 ሰነዳት ምሉእ ብምሉእ ተዓቂቦም ከምዝጸንሑን ካልኦት 2,545 ሰነዳት ድማ ብኸፊል ዕላዊ ከምዝግበሩን ገሊጹ። ኣብ 1964 ኣብ ኣሜሪካ ዝተኻየደ ኮሚሽን ዋረን ብዝብል ዝጽዋዕ መርመራ፡ ኬነዲ ብሊ ሃርቪ ኦስዋልድ ዝተባህለ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሕብረት ሶቭየት ዝነብር ዝነበረ ኣሜሪካዊ ዜጋ ከምዝተቐትለን፣ እቲ ቀታሊ በይኑ ዝፈጸሞ ከምዝዀነን ረኺቡ እዩ። ሊሃርቪ ኦስዋልድ ንኽልተ መዓልቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምጽንሑ ኣብ ትሕቲ መሬት ዋና ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ዳላስ ተቐቲሉ። ሞት ጄኤፍኬ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባት ፈጢሩ'ኳ እንተነበረ፡ ብሓሙስ ግን ሲኣይኤ፡ እቲ ትካል ስለያ ኣሜሪካ ንኦስዋልድ \"ኣዋፊሩ\" ከምዘይፈልጥን ብዛዕባኡ ዝምልከት ሓበሬታ ድማ ካብ መርመርቲ ኣሜሪካ ከምዘይሓብአን ገሊጹ። ንነዊሕ እዋን ምሁራት ጄኤፍኬን ክልሰ-ሓሳባውያንን፡ እቶም ሕጂ ዝወጹ ሰነዳት፡ ኦስዋልድ ኣብ ጥቅምቲ 1963 ምስ ሓደ መኮነን ሶቭየት ኬጂቢ ኣብ ከተማ ሜክሲኮ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን ዝነበሮ ንጥፈታት ዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ከቃልዑ ተስፋ ገይሮም ኣለዉ። ሲኣይኤ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ትካል ምስቲ ኦስዋልድ ናብ ከተማ ሜክሲኮ ዝገበሮ ጕዕዞ ዝተኣሳሰር ኵሉ ሓበሬታ ቅድሚ ሕጂ ከምዝዘርገሐ ብምግላጽ፡ \"ኣብቶም ኣብ 2022 ዝተዘርግሑ [ሰነዳት] ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ሓድሽ ሓበሬታ የለን\" ኢሉ። እቶም ፋይላት ንኽዝርግሕ ንመንግስቲ ዝኸሰሰ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል ሜሪ ፈረል ፋውንዴሽን ክከውን እንከሎ ኣብቲ ትካል ዝሰርሑ ተመራመርቲ፡ ሲኣይኤ ብዛዕባ ኦስዋልድ ኣብ ሜክሲኮ ዝነበሮ ግዜ ሓበሬታ ይሓብእ ከምዘሎ ገሊጾም። እቲ ፋውንዴሽን ገለ መዛግብቲ ሲኣይኤ ናብ ሃገራዊ ማህደር ቀሪቦም ከምዘይፈልጡን፡ ስለዚ ድማ ኣካል ናይቲ ሕጂ ዝተዘርግሐ ብዙሕ ሰነዳት ከምዘይኰኑን ገሊጹ። ሓደ ሓድሽ ዝተጋህደ ሰነድ ከምዘመልክቶ ፕረዚደንት ሜክሲኮን ካልኦት ሰበስልጣናት መንግስቲ ሜክሲኮን ከይፈለጡ፡ ኣሜሪካ ኣብ ሜክሲኮ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ሶቭየት መቕረጺ ድምጺ ክትዝርግሕ ሓጊዙ ነይሩ። እዚ ቍንጣሮ ሓበሬታ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተዘርግሐ ፋይል ተኣልዩ ተሓቢኡ ከምዝጸንሐ ኣሜሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ፡ ሲቢኤስ ኒውስ ጸብጺቡ። ዋይት ሃውስ፡ ምዝርጋሕ እቶም ፋይላት፡ ህዝቢ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ቅትለት ዝካየድ ዘሎ መርመራ ዝያዳ ርድኢት ክህልዎ ከምዝሕግዝ ገሊጹ። ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ትእዛዙ፡ \"ትካላት ነቲ ቅድሚ ሕጂ ብዝተጓደለ መልክዕ ዝተዘርግሐ ዳርጋ 16 ሽሕ መዛግብቲ ንምግምጋም ኵለመዳያዊ ጻዕሪ ከምዝገበረን ልዕሊ 70 ሚእታዊት ካብቶም መዛግብቲ ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ክዝርግሑ ከምዝኽእሉን ወሲነን\" ክብል ጽሒፉ። ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ውሽጢ ፕረዚደንትነቱ ኣሽሓት ገጻት'ኳ እንተዘርግሐ፡ ብመሰረት ሃገራዊ ድሕነት ግን ካልኦት ገጻት ከይዝርጋሕ ከልኪሉ እዩ - ዋላ'ኳ እቲ ኣብ 1992 ዝወጸ ሕጊ፡ ኵሉ እቲ ሓበሬታ ክሳብ 2017 ክዝርጋሕ እንተገደደ። ባይደን ኣብ ጥቅምቲ 2021 ኣስታት 1500 ሰነዳት ዘርጊሑ'ኳ እንተነበረ፡ ነቶም ካልኦት ግን ተዓሺጎም ከምዝጸንሑ ገሊጹ ነይሩ ገሊጹ። ሪፖርተር ኒውዮርክ ታይምስ ነበርን ብዛዕባ ቅትለት ኬነዲ መጽሓፍ ዝጸሓፈን ፊሊፕ ሸኖን፡ እቶም ሓደስቲ ፋይላት፡ መንግስቲ ብዛዕባ ዕላማ ኦስዋልድ ፈሊጡ ክኸውን ይኽእል ድዩ ዝብል ሓበሬታ ክህቡ ከምዝኽእሉ ይዛረብ። ንሱ፡ \"ኣብዞም ሰነዳት፡ ካልኦት ሰባት ቅድሚ ቅትለት ኬነዲ፡ ሊ ሃርቪ ኦስዋልድ ሓደጋ ምዃኑ ይፈልጡ ከምዝነበሩን ነቲ ፕረዚደንት ንምቕታል ዝሓሰቦ ብግልጺ ተዛሪቡ ክኸውን ከምዝኽእልን ዝሕብር ሓበሬታ ክህሉ ከምዝኽእል እጥርጥር\" ክብል ንቢቢሲ ኒውስ ሓቢሩ። \"ትካላት መንግስቲ፡ ሲኣይኤን ኤፍ.ቢ.ኣይን፡ እዚ ሰብኣይ ንፕረዚደንት ኬነዲ ሓደጋ ከምዝነበረ ገለ ስሚዒት ኣለዎም ድዩ፡ በቲ ሓበሬታ ስጕምቲ እንተዝወስዱ ድማ ነቲ ፕረዚደንት ከድሕንዎ ይኽእሉ ነይሮም ድዮም? ዝበል እቲ ወትሩ ዝነበረ ሕቶ እዩ።\" መበል 35 ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆን ኤፍ ኬነዲ ብ22 ሕዳር 1963፡ ከፋት ብዘለዋ ሊሞዚን መኪና እናተጓዕዘ ብጥይት ተቐቲሉ። ኣብ ቅድሚ እቲ ፕረዚደንት ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ኣመሓዳሪ ቴክሳስ ጆን ኮናሊ ቆሲሉ'ኳ እንተነበረ ብህይወት ተሪፉ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ፖሊስ ዳላስ ጀይ ዲ ቲፒት እውን ተቐቲሉ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ሊ ሃርቪ ኦስዋልድ ተኣሲሩ። ኣብ ውሽጢ 12 ሰዓታት ድማ ብቕትለት ፕረዚደንት ኬነዲን ጄዲ ቲፒትን ተኸሲሱ። ብ24 ሕዳር፡ ኦስዋልድ ኣብ ትሕቲ መሬት ክፍሊ ፖሊስ ዳላስ ብጃክ ሩቢ ዝተባህለ ወናኒ ሓደ ናይት ክለብ ብጥይት ተቐቲሉ። እቲ ተዅሲ ብቐጥታ ብተለቪዥን ዝተቐረጸ ነይሩ። ሩቢ ንኦስዋልድ ብምቕታሉ ንሞት ተፈሪዱ። ይግባይ ኢሉ’ኳ እንተነበረ፡ ቅድሚ ዳግማይ ፍርዲ ግን ብሕማም መንሽሮ ኣብ 1967 ሞይቱ። ኬነዲ ምስ ተቐተለ ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ፕረዚደንት ሊንደን ቢ ጆንሰን ነቲ ጉዳይ ዝምርምር ኮሚሽን ኣቝሙ። እቲ ኣብ መስከረም 1964 ዝተሓትመ ጸብጻብ ኮሚሽን ዋረን ከምዚ ይብል፤ ካልኦት መርመራታት እውን ተገይሮም እዮም፥ ኣብ መበል 11 ዓመት ዕድሚኣ ነቲ ቅትለት ዝረኣየት ቶኒ ግሎቨር፡ ካልኣይ ተኳሲ ክህሉ ይኽእል እዩ ኢላ ትሓስብ። ገለ ሰባት እቲ \"ካልእ\" ዕጡቕ ካብቲ ሊሞዚን ናይቲ ፕረዚደንት ትሓልፈሉ ዝነበረ \"ሳዕሪ ዝበዝሖ ጎቦ\" ከምዝተኮሰ ይኣምኑ። ቶኒ፡ እቲ ካልኣይ ተኳሲ - እንተነይሩ - ኣብቲ ካልእ ሸነኽ ጽርግያ ክኸውን ይኽእል ነይሩ ኢላ ትሓስብ። \"ብመጠኑ ቁምነገር ዘለዎ መርትዖታት ኣሎ\" ትብል። \"ገለ ልክዕነት ኣለዎ።\" ጀፈርሰን ሞርሊ ሪፖርተር ዋሽንግተን ፖስት ነበር ኰይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ቅትለት ሓያሎ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈ'ዩ። \"ብዛዕባ ውዲታዊ ክልሰ ሓሳብ ጽሒፈ ኣይፈልጥን\" ይብል። \"ብዛዕባ እቲ ቅትለት ሓድሽ ሓቅታት እየ ዝሕብር።\" ንሱ፡ ኦስዋልድ ንጄኤፍኬ ከም ዝቐተሎ ዝጠራጠር ይመስል። እቲ ተዅሲ ካብ ብድሕሪት ንላዕሊ ካብ ቅድሚ ኬነዲ ዝመጸ ክኸውን ዝያዳ ተኽእሎ ከምዘሎ ይዛረብ። \"ብድሕሪት ብጥይት እንተተሃሪምካ ርእስኻ ናብቲ ጥይት ዝመጽኣሉ ሸነኽ ይኸይድ ዝብል ክልሰ-ሓሳብ ከምዘሎ እፈልጥ እየ። ግን ትሑት ተኽእሎ ከምዘለዎ ርዱእ እዩ\" ይብል። \"እዚ ርግጸኛ ካብ ቅድሚት ዝተተኮሰት ጥይት ይመስል።\" ሞርሊ ነቲ ወግዓዊ ዛንታ ዝጠራጠረሉ ካልእ ምኽንያታት ኣለዎ። ድሕሪ ምእሳሩ ኣብ ምዕጕርቲ ኦስዋልድ ዝተገብረ ሓደ ሰብ ሽጉጥ ከምዝተኮሰ ንምፍላጥ ዝግበር ‘ፓራፊን’ ዝበሃል መርመራ፡ ኦስዋልድ ሽጉጥ ከምዘይተኮሰ ዝሕብር እዩ (ተኣማንነት ናይቲ መርመራ ሕቶ ኣልዒሉ እዩ)። እቲ ብመኪና ናይቲ ፕረዚደንት ዝጓዓዝ ዝነበረ ኣመሓዳሪ ቴክሳስ፡ ጆን ኮናሊ ከም ኬነዲ ብተመሳሳሊ ጥይት ከምዘይተሃርመ ዝገለጸ ክኸውን’ከሎ እዚ ድማ ምስ ውጽኢት ኮሚሽን ዋረን ዝጻረር እዩ። ሞርሊ ድማ ካልኦት ክፋላት ናይቲ ወግዓዊ መግለጺ ስኒት ከምዘይብሎም ይሓስብ። \"እቲ ወግዓዊ ዛንታ - እቲ ብዛዕባኡ ዝፈልጥ ሰብ ዘይነበረ፡ ካበይ ከምዝመጸ ዘይፍለጥ፡ ኦስዋልድ ዝበሃል ሰብ ነይሩ፡ ንሱ ነቲ ፕረዚደንት ብጥይት ቀቲሉ ዝብል እንፈልጦ ዛንታ - ክንዮ ርትዓዊ ጥርጣረ፡ ሓሶት'ዩ\" ይብል። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቦስተን ደራስን ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰርን ዝዀነ ቶማስ ዌለን ግን፡ ኦስዋልድ ንጄኤፍኬ ብጥይት ከምዝቐተሎ ይኣምን። \"ኣነ ጥራይ ዘይኮንኩ'ውን ብሓፈሻ፡ ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ እቲ ቀታሊ ንሱ ምዃኑ ይኣምኑ። እቲ ዓቢ ሕቶ - ኣብ ዝሰፍሐ ውዲት ተሳቲፉ ድዩ?\" ዝብል ከምዝኾነ ይገልጽ። ኮሚሽን ዋረን ኦስዋልድ በይኑ ከምዝፈጸሞ'ኳ እንተገለጸ፡ ኣብ 1959 ናብ ሕብረት ሶቭየት ከምዝተጓዕዘ፡ ዜግነት ሶቭየት ሓቲቱ ከምዘይረኸበን ክሳብ 1962 ኣብኡ ከምዝነበረን ግን ይጠቅስ። እቲ ኮሚሽን ብተወሳኺ እቲ ንርእሱ ማርክሳዊ ኢሉ ዝጽውዕ ኦስዋልድ፡ ንኬነዲ ብጥይት ቅድሚ ምቕታሉ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣብ መስከረም 1963 ኣብ ከተማ ሜክሲኮ ናብ ዝርከብ ኤምባሲታት ኩባን ሩስያን ከምዝበጽሐ ፈሊጡ እዩ። ዋለን፡ \"ኦስዋልድ ቅድሚ እቲ ቅትለት ሰሙናት ኣብ ከተማ ሜክሲኮ እንታይ ይገብር ነይሩ? ምስ ሰበስልጣን ስለያ ኩባን ሶቭየትን ተራኺቡ ድዩ? [ነቲ ቕትለት ንኽፍጽም] ፈቒዶምሉ ድዮም?\" ዝብሉ ሕቶታት የልዕል። \"ብርግጽ ፊደል ካስትሮ (ቀዳማይ ሚኒስተር ኩባ፡ ሽዑ ፕረዚደንት) ንፕረዚደንት ኬነዲ ንምቕታል ድራኸ ነይርዎ። ንሕና - መንግስቲ ኣሜሪካ - ክንቀትሎ ንፍትን ነይረና።\"","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cmm6qe3z8ego"} {"headline":"ንሩስያ ድሮናት ምሻጥ ዝኣበዩ ቱርካውያን ኣሕዋት መሃዝቲ ድሮን 'ባይራክተር'","content":"ድሮን ባይራክተር'፡ ከም ትእምርቲ ጽንዓት ዩክሬናውያን ኣንጻር ገስጋስ ሩስያ ክረኣያ ዝጀመራ፡ ስርሓት ቱርኪ ዝዀና ባይራክተር ቲቢ-2 ዝዓይነተን ወተሃደራዊ ድሮናት ንገስጋስ ሩስያ ደው ኣብ ምባል ዓቢ ተራ ብምጽዋተን እዩ። ሩስያ ግን ኣብ ኢራን ዝተሰርሓ ሸሂድ-136 ዝያዳ ድማ 'ካሚካዘ' ብዝብል ዝፍለጣ ሰብኣልቦ ነፈርቲ ኣብ መጥቃዕቲ ላዕለዋይ ኢድ ዘለዋ ኰይና ትርአ ኣላ። ንክኢላ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሳራ ክረፕስ፡ እዚ ዅሉ ኣካል ኲናት ከም መስርሕ ፍልቀት እዩ ዝርአ። እታ ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ኮርነል፡ \"ድሮናት ወሰንቲ ከምዝዀና ብኣጋኡ ዝተገመተ እዩ ነይሩ\" ትብል። \"ናብ ሓድሽ ነገር ዝግበር ተፈጥሮኣዊ ስሕበት'ዩ። እዚ ድማ ጸወታ ዝቕይር ክኸውን ይኽእል'ዩ ዝብል ስምዒት ነይሩ።\" 'game changer' [ቀያሪ ጸወታ] ዝብል ቃል ንመጀመርያ ግዜ ብዛዕባ እታ 'Bayraktar TB2' እትበሃል ድሮን ንምግላጽ እዩ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ። ዋጋኣ ክልተ ሚልዮን ዶላር ዝግመት ኰይኑ፡ ዓቐና ክንዲ ንእሽቶ ነፋሪት እያ። ብሌዘር-ዝምራሕ ኣጽዋራት ሚሳይላት ትሽከም። ነቶም ዘፍረይዋ ክልተ ቱርካውያን ኣሕዋት ሰልኩክ፡ ሃሉክ ባይራክተር፡ ግን ካብ ሳዕቤን ኲናት ዘምልጥ ከምዘየለ ይኣምኑ። \"ብርግጽ ኲናት ኣዝዩ መሪር ነገር'ዩ፡ ክፉእ ነገር'ዩ\" ይብል እቲ ዓቢ ሓው ሃሉክ፡ ኣብቲ ኣርማ ዩክረይን ዝሓዘት መርኣዪ ቲቢ-2 ድሮን ዘለዎ ቤት ጽሕፈቱ ኰይኑ። \"ሰባት ይሃልቁ ኣለዉ፡ ተዋጋእቲ ድሮናት እንተዘይነማዕብል ምሓሸ ነይሩ።\" \"እንተዀነ፡ ከምዚ ዝበለ ከቢድ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን፡ ንነብስኻ ክትከላኸል ኣለካ። እዚ ድማ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ፍርያት ቴክኖሎጂ ጥራይ ኢኻ ክትገብሮ እትኽእል።\" ካብ ደገ እንተርኢናዮ፡ ኣብ ወሰን ከተማ ኢስታንቡል ዝርከብ ብስድራቤት ዝውነን ትካል፡ ካምፓስ - ቀጽሪ - ሓደ ዩኒቨርሲቲ ወይ ትካል ቴክኖሎጂ እዩ ዝመስል። ኣብ መወዳእታ 20ታት ዕድመ ዝርከቡ ሰባት ጂንስ ተኸዲኖም ኣብ ሰፊሕ ክፉት ቦታ ብጥንቃቐ ኣብቲ ሳዕሪ ክዛወሩ ይረኣዩ። ኣብ መእተዊ፡ ብዛዕባ ታሪኽ ኦቶማን ኢምፓየር ከምኡ’ውን ብኸመይ ቅኑዕ ኣገባብ እስልምና ተኸቲልካ ብትኽክል ትጽሊ ዝገልጹ መጻሕፍቲ ኣብ ልዕሊ መኣዲ ልዕል ኢሎም ተኣኪቦም ይረኣዩ። ባይካር ቴክኖሎጂ ዝዓበየ ትካል ምክልኻል ቱርኪ’ኳ እንተዘይኰነ፡ ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ትካላት እዩ። እዘን ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ፡ ኣብ 2020 ኣዘርባጃን ንሓይልታት ኣርመንያ ክትስዕርን ነቲ ዘካትዕ መሬት ናጎርኖ-ካራባክ ሰፊሕ መሬት ክትምንጥልን ሓጊዘን እየን። እዚ ድማ ካብ ቱርኪ ወጻኢ ሰፊሕ ኣፍልጦ ክረኽባ ምስ ጀመራ እዩ። \"ኣብ ካራባክ፡ ኣብ መኸተ ቱርኪ ኣንጻር ግብረሽበራ፡ ኣብ ስርሒታት ሶርያ፡ ኣብ ምፍጣር ጸጥታዊ ዞባን፡ ኣብ ግጭት ሊብያን መባዝሒ ሓይሊ ኰይነን” ይብል ሃሉክ። እቲ ትካል ምስቶም ቀዳሞት ዓደግቲ ዝዀኑ ሰራዊት ቱርኪ ጥቡቕ ርክብ ኣለዎ። እቲ ሰራዊት ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ተጠቒሙ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ንዝርከቡ ዕጡቓት ኩርዳውያን ዒላማ ከምዝገበረ ይፍለጥ። እቶም ኣሕዋት፡ እቲ ቴክኖሎጂ ናብ 24 ሃገራት ከም ዝቐረበ የረጋግጹ። እዚ ምስቲ ፕረዚደንት ኤርዶጋን ቱርኪ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ከምኡ’ውን ኣብ ማእከላይ ኤስያ ከም ዓባይ ኣቕራቢት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ንኽትከውን ዘለዎ ራእይ ዝተኣሳሰር እዩ። ሃሉክ፡ ትካሉ ኣብ ኣጠቓቕማ እተን ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ፡ ከም ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዝበጽሕ ጉድኣት ኣመልኪቱ ዝዀነ ቅድመ ኩነት እንተኣቐሚጡ ሓቲትናዮ። ሰበስልጣን ቱርኪ፡ ነቲ ናይ ሰደድ ፍቓድ ይህቡን እቲ ቴክኖሎጂ ሰብኣዊ መሰላት ንምግሃስ ክጥቀመሉ ከምዘይክእልን ዝኣመሰሉ ቀየድቲ ሕግታት የቐምጡ፡ ይብል። \"ባይካር ብዝዀነ መገዲ ምስ ሃገራት ጥራይ እዩ ዝተሓባበር። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ቴክኖሎጂታት ንመንግስታዊ ትካላት እተን ሃገራት ይሽየጡ፤ ንሲቪላዊ ትካላት ኣይሽየጡን እዮም፡\" ይብል። እቲ ትካል ምስ ዩክረይን ዘለዎ ርክብ ካብ ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ እዩ። ሃሉክ፡ እቲ ውዕል ኣብ 2018 ከምዝተፈረመን፡ ኣብ 2019 ድማ ነተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምቕራብ ከምዝጀመሩን ይዛረብ። መንግስቲ ዩክረይን፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ንምርካብ ናብ ብዙሓት ሃገራት ከምዝተወከሰ፡ እንተዀነ ቱርኪ ጥራይ እያ ነዚአን ከተቕርበን ተስማሚዓ። ሩስያ እውን ቀንዲ ስትራተጅያዊት መሻርኽቲ ቱርኪ ስለዝዀነት ሩስያ ከመይ ምላሽ ሂባቶ ዝብል ሕቶ ቀሪብሉ ነይሩ። ሃሉክ፡ ቀዳማይ ነገር ኩባንያ ቴክኖሎጂ ምዃኖም ብምግላጽ፡ እተን ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ብኸመይ ከም ዝዋፈራ ትውስን ግን ዩክረይን እያ፡ ኢሉ። \"ስርዓታትና ንመከላኸሊ ኣየርን ዕጥቆምን የዕንዎም ስለዘሎ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ሩስያ ብዙሕ ናይ ጸለመ ዘረባታት ይካየድ ኣሎ\" ይብል። \"ሞስኮ ብዙሕ ገንዘብ እንተትኸፍልከ? ድሮናት ምሸጥኩምሎም ዶ?\" \"ገንዘብ እቲ ዝዓበየ ነገር ኣይኰነን። ገንዘብን ንዋታዊ ነገራትን ቀንዲ ዛዕባና ኰይኑ ኣይፈልጥን\" ይብል ሃሉክ። \"ክንደይ ገንዘብ ይቐርበልና ብዘየገድስ፡ ከምዚ ዓይነት ነገር ካብ ሕቶ ወጻኢ'ዩ። ኵሉ ደገፍና ምሉእ ብምሉእ ንዩክረይን ዝቐንዐ'ዩ።\" ፕረዚደንት ቱርኪ ኤርዶጋን፡ ኣብ ሓደ ላዕለዋይ ኣኼባ ሰልፊ ፕረዚደንት ፑቲን ነተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝደልየን ገሊጹ ተባሂሉ ይዝረብ። ሃሉክ፡ ኣብቲ ቃለ መጠይቕ 'ፑቲን' ዝብል ስም ከይጥቀም ብዛዕባ 'ሩስያ' ጥራይ ክዛረብ ብቤት ጽሕፈቱ መተሐሳሰቢ ከምዝተዋህቦ ይዛረብ። እቲ ዋና ሓላፊ ቴክኖሎጂ፡ ንእሽቶ ሓዉ ሰልኩክ ብወገኑ፡ ርእይቶ ክህብ ኣይደለየን። ካብ ቃላት ሃሉክ ንጹር እዩ፡ እንተወሓደ ንዩክረይን ወሪራትሉ ክሳብ ዘላ እዋን፡ ምስ ሩስያ ኣብ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝግበር ምትሕብባር ኣይክህሉን እዩ። ብዙሓት ምዕራባውያን ወሃብቲ ርእይቶ ግን፡ ቱርኪ ምስ ሩስያ ብዝምልከት ብኽልቲኡ መገዲ ክትህሉ ትፍትን ኣላ ክብሉ ይኸሱ። በቲ ሓደ ወገን ንዩክረይን ወተሃደራዊ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ትሸይጥ፡ በቲ ኻልእ ወገን ግን ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ሩስያ እገዳ ከንብራ ንዝገብራኦ ጻዕሪ ትነጽግ። እቲ ነገር ልዕሊ ንግዲ ንሓደጋ ዘቃልዕ እዩ። ኣብ መስርሕ እቲ ቃለ መጠይቕ፡ ሃሉክ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንዝሞተ ኣቦኡ ብተደጋጋሚ ይጠቅስ። ኦዝደሚር ባይራክታር ኣብ 1980ታት ነቲ ትካል መለዋወጢ ኣቝሑ ንምፍራይ ዝመስረተ መሃንድስ እዩ። ግን ኣብ ጐድኒ ከንቲባ ኢስታንቡል ዝነበረ [ረሲፕ ኤርዶጋን] ኰይኑ፡ ኣብ እስላማዊ ፖለቲካ እውን ይነጥፍ ነይሩ። ክልቲኦም ነቲ እስልምና ካብ ናይ ብሕቲ ዓውዲ ወጺኡ ናብ ህዝቢ ዝወጸሉ ባህላዊ ዓለማውነት መንግስቲ ቱርኪ ደጊፎም። ኣብ 2016፡ እቶም ክልተ ሰባት፡ እቲ ማእከላይ ሓው ሰልኩክ ንጓል ፕረዚደንት ኤርዶጋን ሱመያ ምስ ተመርዓወ፡ ከኣ ዝያዳ ተቐራሪቦም። ብዙሓት ነቐፍቲ፡ ዓወት እቲ ኩባንያ ብሰንኪ መን ከም ዝዀነ ይዛረቡ፣ ነዚ ክሲ ግን ሰልኩክ ይነጽጐ። \"ባይራክታር ቲቢ-2 ናይ መጀመርታ ጥይት ምስ ተኮሰት፡ ኣብ ኵለን ጋዜጣታት ቱርኪ ዜና ቀዳማይ ገጽ እዩ ነይሩ፤ ዓቢ ዜና እዩ ነይሩ\" ይብል እቲ ብ'ኣርክቴክተር' ናይቲ መደብ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝፍለጥ ሰልኩክ። \"ንናጽነት ሃገርና ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን'ቲ ኣይተመርዓኹን ነይረ። ምስ ተመርዓኹ'ዩ፡ ኣብ ገለ ትካላት ሚድያ ኣሉታዊ ዜናታት ክቐርብ ጀሚሩ።\" ነቲ ዕላል ናብ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብምምላስ፡ ነተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኢራን ብዓይኒ ምህንድስና ክግምግመን ተሓቲቱ። \"ብርግጽ ባይራክታር ቲቢ-2 ኣብ ዓይነተን ኣብ ዓለም እተን ዝበለጻ'የን\" ይብል። \"ቴክኒካዊ ዓቕሚ ናይታ ዝጠቕሰት ድሮን ኣይመርመርኩዎን፣ ኣብ ዓለምና ግን ኣብ ዝተፈላለየ ዓውደ ውግእ ክንድዚ ዝኣክል ብቕዓቱ ዘመስከረ ካልእ ሰብ-ኣልቦ ስርዓተ ነፈርቲ የለን።\" ፖላንድ ንፈለማ እዋን ኣባል ኔቶ ኰይና TB-2 ድሮን ገዚኣ ዝወሰደት ክትከውን እንከላ፡ እዚ ክትዕ ኣብዚ እዋን ትዅረት እናረኸበ ዝመጽአ ዘሎ ይመስል።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cz9yvgr1zvjo"} {"headline":"ኣሜሪካ ኮኾብ ኵዕሶ ሰክዔት ዜግኣ ካብ ማእሰርቲ ንምውጻእ ንሩስያዊ “ነጋዳይ ሞት” ፈቲሓ","content":"ኣሜሪካን ሩስያን፡ ኣብ ሩስያ ንዝተኣሰረት ኰኾብ ኵዕሶ ሰክዔት ብሪትኒ ግራይነር ንምፍታሕ፡ በቲ ኣብ ኣሜሪካ ን12 ዓመታት ዝተኣሰረ ዕሉል ኣዘዋዋርን ነጋዳይን ኣፅዋር ቪክቶር ቦት ልውውጥ እሱራት ገይረን። ፕረዝደንት ጆ ባይደን ንምፍታሕ ብሪትኒ ግራይነር ኣመልኪቱ፡ ካብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ “ነዛ ጅግና ብሪትኒ ብስልኪ ኣውጊዐያ። ደሓን እያ፣ ኣብ ፅቡቕ ስምዒት ከምትርከብ እንትገልፅ ደስ እብለኒ፤ ንክትሓውይ ግዘ ከድልያ ይኽእል እዩ” ክብል ተዛሪቡ። ብሪትኒ ግራይነር፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሩስያ መዐወኒ ዕፀ-ፋርስ ሒዛ ስለዝተረኸበት ብማእሰርቲ ትሽዓተ ዓመት ተፈሪዳ ነይራ። ኣብ መድረኽ ኦሎምፒክ ክልተ ግዘ ዓወት ዝተጎናፀፈት ኣሜሪካዊት ብሪትኒ ግራይነር፡ ዘይቲ ካናቢስ ሒዛ ከምዝተረኸበት ኣብ ቤት-ፍርዲ ተኣሚና እያ። በዓልቲ ቤት እዛ ኰኾብ ኵዕሶ ሰክዔት ዝኾነት ቼይል ግራይነር፡ “በዓልቲ ገዛይ ስለዝተፈትሐት ደረት ኣልቦ ሓጎስ ተሰሚዑኒ” ኢላ። ብተመሳሳሊ መራኸብቲ ሓፋሽ ሩስያ፡ እቲ “ናይ ሞት ነጋዳይ” ብዝብል ዝፍለጥ ቦት ናብ ሩስያ ከም ዝኣተወ ፀብፂበን። ቦት ናብ ሩስያ ምስ ኣተወ ንተሌቬዥን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ኣብ ከውታ ለይቲ መፅዮም ካብ ድቃሰይ ኣተሲኦም፡ ‘ኣቑሑትካ ጠቕልል’ ኢሎምኒ። በቃ ከምዚ እዩ ነይሩ” ክብል ሓቢሩ። ቦት፡ ካብታ ዝተጓዓዘላ ነፋሪት ብምውራድ ንወላዲቱን በዓልቲ ገዝኡን ሑቑፊ ዕንበባ  እንተበርክት ተራእዩ። ምምሕዳር ባይደን፡ ነታ ኮኾብ ኵዕሶ ሰክዔት ዝኾነት ዜግኡ ንምፍታሕ፡ ዋሽንግተን ነቲ ሞስኮ ንነዊሕ እዋን ክፍታሕ ትጠልቦ ዝነበረት ቪክቶር ቦት ክትፈትሕን ግራይነር ክትልቀቕን ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ እማመ ልውውጥ እሱራት ኣቕሪቡ። እቲ እማመ ልውውጥ እሱራት፡ ንብሪትኒ ግራይነርን ቪክቶር ቦትን ብናይ ውልቀ ነፋሪት ናብ ኣቡዳቢ ምብራርን፡ ካብ ኣቡዳቢ ናብ ሃገሮም ክግዕዙ ምግባርን ዝብል ጠለብ ዝሓዘ’ዩ ነይሩ። እቲ ሩስያ ንልውውጥ እሱራት ብሕታዊ ጠለብ ገይራ ዘቕረበቶ፡ እቲ ኣብ ኣሜሪካ ንዝሓለፉ 12 ዓመታት ዝተኣሰረ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝበሃል ኣዘዋዋሪን ነጋዳይን ኣፅዋር ቪክቶር ቦት እዩ። ሆሊውድ፡ ብዛዕባ ነዚ “ናይ ሞት ነጋዳይ”፡ ‘ሎርድ ኦፍ ዎር’ ዝብል ኣብ ህይወቱ ዘትኮረ ፊልም ክሳብ ምስራሕ በፂሑ’ዩ። እዚ ን 25 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ ዝነበረ ዓለምለኻዊ ዕሉል ኣዘዋዋርን ነጋዳይን ዘይሕጋዊ ኣፅዋር፡ ንስለ እታ ኣሜሪካዊት ኮኾብ ኵዕሶ ሰክዔት ብሪትኒ ግራይነር ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሑ ኣሎ። ኣሜሪካ እዚ ውልቀሰብ፡ ንድኻታት ሃገራትን ግብረ-ራዕዳውያንን ዘቕርብ የማናይ ኢድ መንግስቲ ሩስያ ከምዝኾነ እያ ትገልፅ። ሩስያ ግና እዚ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣሜሪካ ብምእታዉ ክትሓርቕ እያ ፀኒሓ። ነዚ ድማ እዩ ንግራይነር ንምፍታሕ፡ ንቦት ከም መደራደሪ ዘቕረበቶ። መንግስቲ ኣሜሪካ ነዛ ኰኾብ ዜግኡ ንምፍታሕ እማመ ልውውጥ እሱራት ከቕርብ እንከሎ፡ ቅድሚ ሕዚ ሰራሕተኛ ሓይሊ ባሕሪ ዝነበረ ዜግኡ ፖል ዊላን እውን ምስ ብሪትኒ ግሪነር ክፍታሕ ጠሊቡ ነይሩ። እንተኾነ ሩስያ፡ ነቲ ኣብ 2008 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ንኣሜሪካ ይስልል ነይሩ ብምባል ዝኣሰረቶ ፖል ዊላን ክትፈትሕ ፍቓደኛ ኣይኰነትን። ክልቲኦም እሱራት ንምፍታሕ ክልተ ናይ ውልቀ ነፈርቲ ካብ ዋሽንግተንን ሞስኮን ናብ ኣቡዳቢ ብምብራር፡ ነቶም እሱራት ክለዋወጡ ዘርእይ ተንቃሳቓሲ ምስሊ ተዘርጊሑ ኣሎ። እዚ ልውውጥ እሱራት ንክሰምር ልኡል ስዑድ ዓረብ ቢን ሰልማንን ፕረዝደንት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ነህያን ዕዙዝ ግደ ከም ዘበርከቱ ይግለፅ። ብፍላይ ቀንዲ ፈታዊ ፑቲን ዝኾን ልኡል ቢን ሰልማን ካብዚ ልውውጥ እሱራት ብተወሳኺ ልውውጥ ምሩኻት ኵናት ዩክረይንን ሩስያን ዘሳለጠ እዩ ይበሃል። ኣሜሪካ ግን እቲ ዝርርብ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መንግስታት ሩስያን ኣመሪካን ጥራይ ከምዝተኻየደ እያ ትገልጽ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c2e9d0nd9v1o"} {"headline":"ጆ ባይደን ኲናት ዩክረይን ንኸብቅዕ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ክራኸብ ድሉው ምዃኑ ገሊጹ","content":"ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ \"እቲ ኲናት ዘብቅዐሉ መንገዲ ይደሊ ከምዘሎ ክውስን ብሓቂ ተገዳስነት እንተሃልይዎ\" ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ንምርኻብ ድሉው ከምዝኸውን ገሊጹ። ኣብ ጎኒ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኮይኑ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ፑቲን ክሳብ ሕጂ ከምኡ ከምዘይገበሩ ኣስሚሩሉ። ክልቲኦም መራሕቲ፡ ንኲናት ሩስያ ምቅዋም ከምዝቕጽሉ ሓቢሮም። ብወገን ሩስያ ዝተወሃበ ምላሽ፡ ፕረዚደንት ፑቲን \"ረብሓታትና ንምርግጋጽ\" ዝዓለመ ዘተ ክካየድ ከምዘይቃወም ይገልጽ። ይኹን እምበር፡ ወሃቢ ቃል ክረምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ፡ ሩስያ ንቅድመ-ኹነታት ኣሜሪካ ክትቅበል ብርግጽ ድልውቲ ከምዘይኮነት ብምግላጽ፡ \"ፕረዚደንት ባይደን ብሓቂ እንታይ እዩ ኢሉ? ፑቲን ካብ ዩክረይን ምስ ወጸ ጥራይ እዩ ድርድር ክግበር ዝከኣል ኢሉ\" ክብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ። ፔስኮቭ ወሲኹ፡ ኣሜሪካ ነተን ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ሩስያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናተይ ኢላ ዝጎበጠተን \"ሓደስቲ ግዝኣታት\" ዩክረይን ኣፍልጦ ዘይምሃባ ሓባራዊ መሰረት ድርድር ንምድላይ ዝግበር ጻዕሪ ከምዘተሓላለኸ ገሊጹ። ፕረዚደንት ማክሮን ብወገኑ፡ ንዩክሬናውያን \"ንዓኣቶም ቅቡል ዘይኮነ\" ስምምዕ ክፍጽሙ ፈጺሞም ከምዘይደፋፍእዎም ምስ ባይደን ከምዝተሰማምዑ ብንጹር ገሊጹ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ኣንቶንዮ ታጃኒ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዩክረይን ፍትሓዊ ሰላም ንኽትረክብ ዝሰርሓሉ ግዜ በጺሑ’ኳ እንተኾነ፡ \"ክረምሊን ሕጂ ኣብ ክንዲ ኣብ ህዝቢ ደብዳባት ምፍጻም ጭቡጥ ምልክታት ክህብ ኣለዎ\" ክብል ንጋዜጣ ላ ሪፓብሊካ ተዛሪቡ። እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ መራሒ ኣንግሊካዊት ቤተክርስትያን ዓዲ-እንግሊዝ ሊቀ ጳጳስ ካንተርበሪ ጃስቲን ዌልቢ፡ ኣብ ዩክሬን ኣብ ዝገበሮ ዑደት፡ ሩስያ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክረይን እትገብሮ ዘላ ምሕሳው ከየቋረጸት ሰላም ክህሉ ከምዘይክእል ገሊጹ። ኣብታ ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ቅትለት ኣማኢት ሲቪላት ገበናት ኲናት ፈጺሞም ተባሂሎም ዝኽሰሱላ ከተማ ቡቻ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ \"ኣብ ሓሶት ዝተመርኮሰ ንቕድሚት ዝወስድ መንገዲ ክህሉ ኣይክእልን'ዩ። ኣብዚ ግፍዕታት ተፈጺሙ'ዩ\" ኢሉ። ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዩክረይን ሚካይሎ ፖዶልያክ፡ ወራር ሩስያ ኣብ 24 ለካቲት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ካብ 10 ክሳብ 13 ሽሕ ወተሃደራታ ዩክረይን ከምዝተቐትሉ ኣቐዲሙ ምግላጹ ዝዝከር’ዩ። ዩክረይን ትኹን ሩስያ ኣሃዛት ናይቶም ዝሞቱ ሰባት ዝገልጻ ኣይመስላን፡ እቲ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዝሃቦ መግለጺ ድማ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዩክረይን ኣይተረጋገጸን። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ላዕለዋይ ጀነራል ኣሜሪካ ማርክ ሚሊ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ 100 ሽሕ ናይ ሩስያን 100 ሽሕ ወተሃደራት ዩክረይንን ከምዝተቐትሉ ወይ ከምዝቖሰሉ ገሊጹ ነይሩ። ፖዶልያክ ፡ ዩክረይን \"ብዛዕባ ብዝሒ ዝተቐትሉ [ወተሃደራት] ብግልጺ ትዛረብ\" ከምዘላ ንዩክሬናዊ መደበር ቴሌቪዥን ቻነል 24 ሓቢሩ። ወሲኹ’ውን፡ ቁጽሪ ናይቶም ካብቲ ወራር ጀሚሩ ዝተቐተሉ ሲቪላት \"ዓቢ\" ክኸውን ከምዝኽእልን ክሳብ 100 ሽሕ ወተሃደራት ሩስያ ከምዝተቐትሉን ሓቢሩ። ሓላፊት ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ ኡርሱላ ቫን ደር ሌየን ብወገና ረቡዕ ኣብ ዝሃበቶ ናይ ቪድዮ መደረ፡ 100 ሽሕ ወተሃደራት ዩክረይን ከምዝተቐትሉ ገሊጻ’ያ። ይኹን እምበር፡ ድሒሩ ወሃቢ ቃል ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ፡ እቲ ኣሃዝ ጌጋ ከምዝኾነ ብምግላጽ እቲ 100 ሽሕ ዝተበሃለ ነቶም ዝሞቱን ዝቖሰሉን ከምዘጠቓልል ኣመልኪቱ። ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ዋይት ሃውስ ድሕሪ ምዝታዮም ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ \"ዩክረይን ልኡላውነታን ግዝኣታዊ ሓድነታን ንክትከላኸል ቀጻሊ ደገፍ\" ከምዝገብሩ ሓቢሮም ኣለዉ። ንስርዓታት ምክልኻል ኣየር ዩክረይን ዝወሃብ ደገፍ ንምውሳኽን ብዛዕባ ዩክረይን ዝምልከት ኣህጉራዊ ዋዕላ ኣብ 13 ታሕሳስ ኣብ ፓሪስ ንምክያድን መደብ ከምዘለዎምን ገሊጾም። ፕረዚደንት ባይደን ምስ መራሒ ሩስያ ንምዝርራብ ድሉው እየ ምባሉ ምስ ከቢድ መጠንቀቕታ ዝመጸ ኮይኑ፡ ፈረንሳዊ መዘንኡ ድማ \"ዩክሬናውያን ቅቡል ዘይኮነ ስምምዕ ንኽፍጽሙ ፈጺምና ኣይንደፋፍእን\" ኢሉ። ፕረዚደንት ማክሮን ነዚ ዝገለጸ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ፡ ሃገራት ኣውሮጳ ክሳብ ሕጂ ብመንጽር ሽምግልና ዝኾነ ጭቡጥ ነገር ከምዘየቕረባ ድሕሪ ምግላጹ’ዩ። \"ማክሮን፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ክዘራረብ መደብ ከምዘለዎ ብቐጻሊ ክገልጽ ጸኒሑ'ዩ\" ዝበለ ላቭሮቭ፡ ሩስያ ብዲፕሎማስያዊ መስመራት ዝኾነ ምልክት ከምዘይረኸበት ሓቢሩ። ላቭሮቭ፡ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ነበር ጆን ኬሪ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ጸገማት ክፈትሕን ኣብ ሓቀኛ ዘተ ክዋፈርን ዝኸኣለ ዓይነት ሰብ ክብል ገሊጽዎ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c51ev1r133xo"} {"headline":"ኣሜሪካ ንዩክረይን ሚሳይላት ፀረ-ነፈርቲ ክተዕጥቕ እያ","content":"ኣሜሪካ፡ ናብ ዩክረይን ዘመናዊ ሚሳይላት ፀረ-ነፈርቲ ከም ትልእኽ ተገሊፁ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን ፀረ-ነፈርቲ ‘ፓትሪዮት’ ንዩክረይን ከምዝህብ፡ ኣብዚ ሰሙን እዚ ወግዓዊ ክገብር እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር። ሓደ ስሙ ዘይተገለፀ በዓልመዚ ኣሜሪካ ከምዝገለጾ፡ ባይደን ዝህልዉ ምዕባለታት ኣብዚ ሰሙን እዚ ወግዓዊ ክገብር እዩ። ዩክረይን፡ ኣብዚ እዋን ሩስያ ትፍጽሞ ንዘላ ተኸታታሊ መጥቃዕትታት ኣየር ምምካት ንኽትክእል እያ፡ ኣሜሪካ ነዞም ፓትሪዮት ዝተሰየሙ ዝተሓላለኹ ሚሳይላት ፀረ-ነፈርቲ ትልእኽ ዘላ። ካብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ንነጀው፡ ሩስያ ‘ካሚካዚ’ ብዝበሃላ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኢራንን ብተወንጨፍቲ ሚሳይላትን ትፍጽሞ ብዘላ መጥቃዕቲ ከተማታት ዩክረይን መብራህቲ ተሓሪመን እየን። ሩስያ ብፍሉይ ኣብ ነቑጣታት ጸዓት ዩክረይን ብዝፈጸመቶም ደብዳባት፡ ብዙሓት መንበሪ ኣባይቲ ዩክሬናውያን ኣብዚ እዋን ቁሪ ብዘይ መውዓዪ ሓዲግ ተሪፎም። ዩክረይን፡ ምዕራባውያን ዘበናዊ ጸረ-ነፈርቲ ክህብኣ ክትምሕጸን እያ ጸኒሓ። ‘ፓትሪዮት’፡ ኣሜሪካ ኣለኒ ካብ መንጐ እትብሎም ዘመናዊ ጸረ-ነፈርቲ ሓደ እዩ። ወተሃደራት ዩክረይን፡ ንስለ እዚ ዘመናዊ ፀረ-ነፈርቲ፡ ኣብቲ ኣብ ጀርመን ግራፈንዎር ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣሜሪካ ሕቡእ ስልጠና ክወስዱ’ዮም ጸኒሖም። እንተዀነ ሩስያ፡ ፀረ-ነፈርቲ ፓትሪዮት ናብ ዩክረይን ምስኣተወ ዒላማ ከምትገብሮም ተሓንያ ኣላ። ተንታኒ ኵናት ቢቢሲ ጆናታን ቤል፡ ስጕምቲ ኣሜሪካ፡ ሓይሊ ኣየር ሩስያ፡ ንዩክረይን ዓቢይ ስግኣት ከምዝዀነ ዘርኢ እዩ ይብል። ጆናታን፡ መጥቃዕትታት ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሩስያ፡ ንሚልየናት ዩክሬናውያን ብዘይ ኣገልግሎት ጸዓትን ማይን ከምዘትረፎም ይገልፅ። ዩክረይን ኣብዚ ቀረባ እዋን ‘ናሳም’ ን  'ኣይሪስ ቲ’ ን ዝበሃሉ ጸረ-ነፈርቲ፡ ካብ ምዕራባውያን ረኺባ’ያ። ይዅን’ምበር፡ እዞም ፀረ-ነፈርቲ ነቲ ብሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ንምግታእ እኹላት ኣይኰኑን፤ ነዚ ድማ እያ ኣሜሪካ ፓትሪዮት ንኪየቭ ትልግስ ዘላ። ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓደ ተንታኒ ኵናት፡ ኣሜሪካ እዚ ዘበናዊ ፀረ-ነፈርቲ ንዩክረይን ክትህብ ዝወሰነት፡ ኢራን ነዊሕ ርሕቐት ዝውንጨፍ ሚሳይል ንሩስያ ክትህባ ምዃና ስለዝተፈለጠ’ዩ ይብል። ካልእ ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ደሕንነት ኣሜሪካ ጆን ከርቢ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ርክብ ኢራንን ሩስያን ናብ ምሉእ ሽርክነት ኵናት ይሰጋገር ኣሎ ክብል፡ ስግኣቱ ገሊጹ ነይሩ። ዋሽንግተን ፖስት፡ እዚ ኣሜሪካ ንዩክረይን ንምልጋስ ሃቂናቶ ዘላ ፀረ-ነፈርቲ ፓትሪዮት፡ ንሓደ ባትሪ ጥራይ ክሳብ ሰለስተ ሚልየን ዶላር ከምዝግመት ጸብጻብ ነይሩ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ce925311v1ro"} {"headline":"ኩናት ዩክረይን፡ ሩስያ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ዓሰርተታት ድሮናት ተዋፍር","content":"ሩስያ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ  ልዕሊ 30 መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝፈጸመት ፕረዚደንት ዩክረይን ቭላድሚር ዘለንስኪ ገሊጹ። ብሓፈሻ ሞስኮ፡ 4500 ናይ ሚሳይል መጥቃዕትን 8000 ደብዳብ ኣየርን ከምዘካየደት’ውን ኣረዲኡ። ኣብ ጎኒ’ታ ኣብ ርእሰ ከተማ ዩክረይን ዝወደቀት ናይ ኢራን ድሮን ብምቋም ድማ፡ ክንፍታት ብምርኣይ ሓይሊ ኣየር ሞስኮ ድሮን ከም ዝሰደደ መረጋገጺ ምልክት ሂቡ። ሰበስልጣናትን ምዕራባውያን ሃገራትን፡ ኢራን ንሩስያ ብዙሓት ድሮናት ሂባታ ኢሎም እኳ እንተገለጹ፡ሩስያን ኢራንን ግን ነዚ ይነጽገኦ። ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜርካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ነዚ ሩስያ ተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ ድሮናት፤ ኣስካሕካሒ ክብል ብምግላጽ፡ ካናዳን ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካን ምስ ኩለን መሻርኽትናን፡ ንቀረብ ድሮናት ኢራን ንምቅላዕን፡ ምግታእን ክንሰርሕ ኢና ኢሉ። ላዕለለዎት ዲፕሎማሰኛታት ኣሜሪካ’ውን፡ ሩስያውያን ኣዘዝቲ፡ ኣፅዋር ተጠቂሞም ንማይ፣ ኤለክትሪክን ዋዕን ዘገልግሉ ትሕተ ቅርጽታት ንምፍራስን፡ ዩክሬናውያን ሰለማውያን ሰባትን ንምቅታልን ይጥቀሙሉ ኣለው ኢሎም  ከሲሶም። ኣብዘን ዝሓለፈ ሳምንታት፡ ሙቐት ክጎድል ኣብ ዝጅመረሉ ንማይ ኤሌክትሪክን፣ ትሕተ ቅርፂ ስቪላውያን ዕላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ኣካይዶም እዮም፡፡ ኢራን ብውሽጣዊ ዓቕማ ዘፍረየቶም ምዕቡላት ኣጽዋር ንሩስያ ከምዝሃበታን፡ ኢራናውያን ኪኢላታት እውን ነቶም ኣብረርቲ ሞያዊ ሓገዝን ንምብርካት ኣብቲ ሩስያ ተቆጻጽራቶ ዘላ ክሬሚያ ከምዘለዉ ኣነጺሩ። እተን ዩክረይን ኣጥቂዐናኒ ዝበለተን ድሮናት ካሚካዘ ተባሂለን ከምዝጽዋዓ’ያ ትገልጽ። ሩስያ ካብተን ዝኣዘዘተን ኣስታት 2000 ድሮናት ዛጊት  400 ከምዝተጠቀመት ዩክረይን  ክትገልጽ እንከላ፡ ኢራን ምስ ሩስያ ዝኾነ ይኹን ስምማዕ ኣጽዋር ኣይገበርኩን ኢላ፣ ሩስያ’ውን ድሮናት ኢራን ተጠቂማ ንዝብል ክሲ ትነጽጎ’ያ። ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢራን ፡ ሖሴን ዓብዱ -ዓብዱላሂን፡ ነቲ ክሲመሰረት ኣልቦ ክብል ነጺግዎን ዩክረይን ጭብጢ ከተቅርብን ብምጽዋዕ፡ ሩስያ ኣብቲ ምስ ዩክረይን ተካይዶ ዘላ ኵናት ናይ ኢራን ድሮን ተጠቂማ እንተደኣ ኮይና ሸለል ከምዘይብሉዎ ብረቡዕ ተዛሪቡ። ዞባዊ መቀናቅንቲ ኢራን ዝኾነት እስራኤል’ውን፡ ኣብ ዋይት ሃውስ ምስ ፕረዚደንት ኣሜርካ ጆ ባይደን ኣብ ዝነበረ ኣኼባ፡ በቲ ዝብሃል ዘሎ ሰደድ ድሮን ንኢራን ዘሊፋታ። ፕረዚደንት እስራኤል ኢሳቅ ሀርዞግ፡ ብሓሙስ ናይቲ ስርዓት [ኢራን] ንጥፈታት ብትሪ ነቂፍዎ። እቲ ፕረዚደንት “ኢራን ንገዛእ ዜጋታታ ኣብ ምቅታልን ኑይክለራዊ ኣጽዋር ብዘይ ምቁራጽ ምህናጻን ነቲ ዞባን ንመላእ ዓለም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ፡ ሕጂ'ውን  ኣብ ዩክረይን ንንጹሃንን ሰለማውያን ሰባትን ምቕታላ እንታይነት ኢራን ብግሉጽ ዘርኢ ኢዩ” ኢሉ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሰበስልጣን ኣሜሪካ ንዩክረይን ተወሳኺ  275 ሚልዮን ዝግመት ወተሃደራዊ ሓገዝ ከተበርክተላ ምዃና ኣሶሸትድ ፕረስ ኣቃሊሑ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cx970x1dp52o"} {"headline":"ናብ ኢትዮጵያ እኽሊ ዝፀዓነት እትርከበን መራኽብ ካብ ወደብ ዩክረይን ተበጊሰን","content":"ሩስያ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ወደባት ጸሊም ባሕሪ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ካብቲ ካብ ዩክረይን እኽሊ ንምውፃእ ዝተበጽሐ ዓለማዊ ስምምዕ እኳ ንርእሳ እንተግለለት፡ እኽሊ ዝጸዓና መራኽብ ካብ ወደባታ ከምዝተበገሳ ዩክረይን ኣፍሊጣ። ዩክረይን፡ 12 እኽሊ ዝጸዓና መራኽብ ትማሊ ሰኑይ ካብ ወደባታ ከምዝተበገሳ ክትሕብር እንከላ፡ ካብተን መራኽብ እታ ሓንቲ፡ ናብ ኢትዮጵያ ዝበፅሕ እኽሊ ከምዝፀዓነት ተፈሊጡ’ሎ። ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ዩክረይን ከምዝሓበሮ፡ እቲ 40 ሽሕ ቶን እኽሊ ናብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ብጥምየት ዝተጎድኡ ዜጋታት ዝበፅሕ’ዩ። \"ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ሰባት ሓደጋ ጥምየት ኣንፀላልይዎም ኣሎ\" ክብል እቲ በዓልስልጣን ወሲኹ ሓቢሩ። ቅድሚ ሕጂ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቢሉ ካብ ዩክረይን ንኢትዮጵያ ዝተዓደገ እኽሊ ብ2 ነሓሰ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ናብታ ሃገር ከምዝኣተወ ይፍለጥ። እቲ ናይ ረድኤት ስርናይ፡ ሩስያ ንዩክረይን ድሕሪ ምውራራ ናብ ኣፍሪቃ ዝተላእከ ናይ መጀመርታ እኽሊ ምዃኑ እውን ኣብቲ እዋን ተገሊጹ ነይሩ። ናብ ኢትዮጵያ ዝቐርብ ረድኤት ስርናይ ሒዛ ናብ ጅቡቲ ዝኣተወት መርከብ፡ ባንዴራ ሊባኖስ እተንበልብልን ‘ብሬቭ ኮማንደር’ ብዝብል እትፅዋዕን ኮይና፡ 23 ሽሕ ቶን ስርናይ ጽዒና ነይራ። ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ሽዑ ናብ ኢትዮጵያ ዝበጽሐ ስርናይ፡ ንልዕሊ ሓደ ሚልዮንን ፈረቓን ዝተጸገሙ ሰባት ንሓደ ወርሒ ንምምጋብ ዝሕግዝ ምዃኑ’ዩ ኣፍሊጡ። ሩስያ ካብቲ ኣብ ቀረባ እዋን እኽሊ ብጸሊም ባሕሪ ኣቢሉ ብውሑስ መንገዲ ንኽሓልፍ ዝተፈረመ ዓለማዊ ስምምዕ ድሕሪ ምውጽኣ፡ ዩክረይን ነቲ ስጉምቲ ኮኒናቶ’ላ። \"ሩስያ ንዓለም ብጥምየት ተፈራርሕ ኣላ\" ክትብል እውን ነቒፋ። ሩስያ ነዚ ዓለማዊ ስምምዕ ዘቋረጸት፡ ዩክረይን ብቀዳም ኣብ ጸሊም ባሕሪ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ፈጺማ ብዝብል’ዩ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሰባስቶፖል ክሪሚያ ከምዝተፈጸመ ይግለፅ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ እቲ መጥቃዕቲ ምስ ተፈጸመ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ \"ሩስያ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ንዝጓዓዛ ናይ ጽዕነት መራኽብ ውሕስነት ክትህብ ስለዘይትኽእል፡ ንዘይተወሰነ እዋን ደው ክብል እዩ\" ኢሉ። ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ሩስያ ካብቲ ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ከምዘየንሰሓበትን ንዘይተወሰነ እዋን ከምዝተቛረጸን ትማሊ ሰኑይ ኣፍሊጡ። ዩክረይን ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ከምዘይትወስድ ብምሕባር፡ ሩስያ ነቲ መጥቃዕቲ ከም ምኽንያት ተጠቒማ ካብቲ ዓለምለኻዊ ስምምዕ ተንሳሕብ ኣላ ክትብል ከሲሳ። ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ድሕሪ ምኽፋታ፡ ካብ ወደባት ጸሊም ባሕሪ እኽሊ ከይወጽእ ብሓይሊ ባሕራ ዓጊታ ኔራ። በዚ ድማ ንሰደድ ዝተዳለወ ኣስታት 20 ሚልዮን ቶን እኽሊ ከምኡ’ውን መግብን ነዳድን መውጽኢ ስኢኑ ፀኒሑ’ዩ። ሩስያ ድሕሪ ኣዋርሕ ነቲ ኣብ ወደባት ዝተነበረ እገዳ ኣልዒላቶ እያ። ሚኒስተር ትሕተ-ቅርፂ ዩክረይን ኦሌክሳንድር ኩብራኮቭ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ ትማሊ ሰኑይ፡ እኽሊ ዝጸዓና 12 መራኽብ ካብ ወደባት ዩክረይን ከምዝተበገሳ ሓቢሩ። ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ዩክረይን እኽሊ ምልኣኽ ክትቅጽል ኣዝዩ ሓደገኛ ክኸውን እዩ ክብል ኣጠንቂቑ። \"ሩስያ ኣብዞም ከባቢታት ድሕነት እዘን መራኽብ ምርግጋጽ ኣይከኣልን እዩ ክትብል ከላ፡ እቲ ስምምዕ ፈጺሙ ኣብ ግብሪ ኣብ ዘይውዕለሉ ደረጃ በጺሑ'ሎ ማለት እዩ። ኣብዚ እዋን በዞም ወደባት እኽሊ ምልኣኽ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። ውሕስነት ምሃብ ኣይከኣልን እዩ\" ይብል ዲሚትሪ ፔስኮቭ። ኣሜሪካ፡ ሩስያ ካብቲ ስምምዕ ምውጻኣ ብምኹናን \"ንመግቢ ከም ኣጽዋር ትጥቀም ኣላ\" ክትብል ከሲሳ። ሓላፊ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ጆሴፍ ቦረል፡ ሩስያ ውሳነኣ ክትቅይር ፃውዒት ብምቕራብ፡ ሰደድ እኽልን ድኹዒን ኣብ ሓደጋ ምእታው ኣብ ቕልውላው መግቢ ዓለም ፅልዋ ዘሕድር ምዃኑ ገሊጹ። ሩስያን ዩክረይንን ኣብ ጸሊም ባሕሪ ውሑስ መሕለፊ (ኮሪደር) ንምኽፋት ምስ ሕቡራት ሃገራትን ቱርኪን ስምምዕ ከምዝፈረማ ይዝከር።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cevg7rljw4no"} {"headline":"ፑቲን ንዩክረይን ብ'ግብረ ራዕዲ' ከሲሱ","content":"ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ንሩስያ ምስታ ዝጐበጠታ ክሬሚያ ዘራኽብ እንኮ ድልድል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ \"ተግባር ግብረ ራዕዲ\" ብምባል ንዩክረይን ከሲሱ። ወሲኹ፡ ሓይልታት ስለያ ዩክረይን፡ ነቲ ኣገዳሲ ሲቪላዊ ትሕተ ቕርጺ ሩስያ ንምዕናው ዒላማ ገይሮም ኢሉ። ንሱ፡ ምስ ሓላፊ ኮሚቴ መርመራ ሩስያ ኣሌክሳንደር ባስተርኪን ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ እቲ ድልድል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ከም ዝሞቱ ተዛሪቡ። እቶም ግዳያት፡ ኣብ ጥቓ እታ ነቲ ባርዕ ሓዊ ዘልዓለት ናይ ጽዕነት መኪና ዝነበሩ'ዮም ክብሉ ሰብ መዚ ሩስያ ተዛሪቦም። ፑቲን፡ \"እዚ፡ ኰነ ተባሂሉ ኣገዳሲ ስቪላዊ ትሕተ ቕርጺ ሩስያ ንምዕናው ዝዓለመ ተግባር ግብረ ራዕዲ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ሃንደስቱ፣ ፈጸምቱን ተረባሕቱን ክኣ ኣገልግሎት ጸጥታ ዩክሬይን'ዮም\" ብምባል ተዛሪቡ። ኣሌክሳንደር ባስተርኪን ብወገኑ፡ ዜጋታት ሩስያን ገለ ሃገራት ወጻእን ምስቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ተሓባቢሮም'ዮም ኢሉ። ንሱ ከም ዝበሎ እንተዀይኑ፡ እታ ዝተፈንጀረት ናይ ጽዕነት መኪና ብቡልጋሪያ፣ ጆርጅያ፣ ኣርሜኒያ፣ ሰሜን ኦሰትያን ግዝኣት ክራስኖዳርን ከም ዝተጉዓዘት መርመርቲ ገሊጾም ኣለው። ነዚ መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ዙርያ እቲ ሓደጋ መርመራ ክካየድ ኣዚዙ ኣሎ። ሰብ መዚ ዩክረይን፡ ክሳብ ሕጂ ሓይልታቶም ብድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ምህላዎም ኣይገለጹን። ኣማኻሪ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዜለንስኪ ሚካሄሎ ፖዶልያክ ግን ንኽሲ ፑቲን ነጺጉዎ። \"ኣብዚ ሓደ ኣሸባሪ መንግስቲ'ዩ ዘሎ፤ ዓለም ክኣ መን ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ኢሉ። ብቐዳም ዜለንስኪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ \"ሎሚ ሕማቕ መዓልቲ ኣይነበረን፤ ኣብ ግዝኣትና ጸሓይ ነይራ'ያ። ኣብ ክሬሚያ ግን ደቢኑ ነይሩ\" ክብል ተዛሪቡ'ዩ። ሰብ መዚ ሩስያ፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ ንገለ ክፋል እቲ ድልድል ንከፊላዊ ኣገልግሎት ከፊቶምዎ። እቲ ታንከራት ነዳዲ ብባርዕ ሓዊ ዝነደዱሉ መገዲ ባቡር ክፋል እቲ ድልድል'ውን ተኸፊቱ። እዚ 19 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ድልድል፡ ኣብ ኤውሮጳ እቲ ዝዓበየ ኰይኑ፡ እቶም ኣብ ዩክረይን ዝዋግኡ ዘለው ሓይልታት ሩስያ ዝመሓላለፍሉ ቀንዱ መገዲ እዩ። ሩስያ እቲ ድልድል ኣጽዋራትን ወተሃደራትን ካብ ሩስያ ኣብ ደቡብ ዩክረይን ናብ ዝርከቡ ዓውደ ውግኣት ኣጓዓዒዛትሉ እያ። እዚ፡ ሩስያ ንክረሚያ ምስ ጐበጠታ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ 2018 ፕሬዝደንት ፑቲን መሪቑ ዝኸፈቶ ድልድል እዩ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ce4rxe8ll2qo"} {"headline":"ሩስያ፡ ስለምንታይ ዕልዋ መንግስቲ ቡርኪናፋሶ ኣሐጕስዋ?","content":"ኣብ ቡርኪናፋሶ ድሕሪ ዝተኻየደ ዳሕረዋይ ዕልዋ መንግስቲ፡ መንእሰያት ኣብ ጐደናታት ርእሰ ከተማ እታ ሃገር - ዋጋዱጉ ባንዴራታት ሩስያ ከንበልብሉ ተራእዮም፤ እዚ ድማ ንክረምሊን ልቢ ዘመውቕ ተረኽቦ ኰይኑ ኣሎ። ዋላ’ኳ ብቝጽሪ ኣመና ውሑድ እንተዀነ፡ ኣብታ እናዓበየ ብዝኸይድ ዘሎ ጅሃዳዊ ዓመጽ ዝተዳህከት ሃገር፡ ካፕተን ኢብራሂም ትራኦረ ስልጣን ዝሓዘሉ ፍጻመ፡ ገለ ኢድ ሩስያ ነይርዎ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ግምታት ኣልዒሉ ኣሎ። የቭገኒ ፕሪጎዚን ዝተባህለ መቓርብቲ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዝዀነ ሃብታምን መስራቲ ናይቲ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝንቀሳቐስን ጽላሎቱ ኣንቢሩ ዘሎን ወተሃደራዊ ጕጅለ ዋግነር፡ ነቲ መንእሰይ መራሒ ዕልዋ፡ እንቋዕ ሓጐሰካ ብምባል፡ \"ብሓቂ ብቝዕን ተባዕን ሃገራዊ\" ክብል ገሊጽዎ። \"ህዝቢ ቡርኪናፋሶ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት መግዛእቲ እዩ ጸኒሑ፣ ገዛእቲ ነቲ ህዝቢ ክዘምቱን ብርኹስ ተግባሮም ክጻወቱ፡ ሸፋቱን ባንዳታትን ከሰልጥኑን ክድግፉን ንህዝቢ ኣብ ሕሰም ሸሚሞምዎ።\" ኣብዚ ብህሎ’ዚ፡ መግዛእታዊ ሓይሊ ተባሂላ ትጥቀስ ዘላ ፈረንሳ እያ፣ ደገፍቲ ናይቲ ኣብ ቡርኪና ዝተፈጸመ ዕልዋ ዝዀኑ መንእሰያት ድማ፡ ባንዴራ ሩስያ ምንብልባል ጥራይ ዘይኮነ፡ ንትካላትን ቤት ጽሕፈት ኤምባሲን ፈረንሳ ኣጥቂዖም እዮም። እቲ ዝተኻየደ ዓመጽ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ስንባደ ዝፈጠረ ኰይኑ፡ ኣብ ብዙሓት ግዙኣት ፈረንሳ ዝነበራ ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃ ንዘሎ ጸረ-ፈረንሳዊ ቅርሕንቲ ዘርኢ እዩ። ፈረንሳ፡ ንገለ ካብቶም ምስ ኣልቓዒዳ ርክብ ኣለዎም ዝበሃሉ ጅሃዳውያን ምንቅስቓሳት ንምምካት ብዝብል፡ ኣብ ዞባ ሳሕል - ንቡርኪናፋሶ ዘጠቓለለ ካብ በረኻታት ሰሃራ ንደቡብ ዝርከብ ሓውሲ ደረቕ መሬት - ንኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ወተሃደራዊ ሓገዛት ክትገብር ጸኒሓ እያ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን፡ ካብታ ግዝኣታ ዝነበረት ማሊ ኣንሳሒባ’ላ። ኣብ ማሊ ምስ ዘሎ ወተሃደራዊ ጁንታ ዝነበራ ዝምድና ድሕሪ ምብታኽ፡ እቲ ወተሃደራዊ መሪሕነት፡ ዕጡቓት ንምምካት ምስ ሩስያ ከም ዘሻረወ ኸኣ ይኽሰስ። ኣብ ክረምሊን ኣማኻሪ ዝነበረ ሰርገይ ማርኮቭ፡ \"ህዝብና ነቲ ሓድሽ መራሒ [ቡርኪናፋሶ] ሓጊዙ እዩ፡\" ክብል ትዕዝብቱ ብንጹር ኣቐሚጡ’ሎ። \"ካልእ ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ካብ ምትሕብባር ምስ ፈረንሳ ናብ ኪዳን ምስ ሩስያ ክትሰጋገር እያ\" ኢሉ። እዚ፡ ንተንታኒ ጂኦፖለቲካ እቲ ከባቢ - ዶክተር ሳሙኤል ራማኒ፡ ሩስያ ኣብቲ ዞባ ንዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ እትህቦ ልሙድ ግብረመልሲ ዝሓልፍ ምዃኑ ዘመልክት እዩ። \"ኣብ ዝሓለፉ ዕልዋታት ኣፍሪቃ፡ ሩስያ ተጠቃሚት ናይቲ ዝኽሰት ለውጢ ስርዓታት ክትከውን ፈቲና እያ\" ይብል ዶክተር ራማኒ ካብ ሮያል ዩናይትድ ሰርቪስስ ኢንስቲትዩትን ደራሲ መጽሓፍ ‘Russia in Africa’ን [ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ]። \"ሩስያ ኣብዚ እዋን'ዚ ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ምድጋፍ ንጥፍቲ እያ ዘላ፣ እዚ ድማ ሩስያ ናይ ምውህሃድ ተራ ተጻዊታ'ያ ዝብል ግምታት ኣስዒቡ'ሎ።\" እዚ ንጕጅለ ዋግነር ዘመልክት’ኳ እንተዀነ፡ እቲ ጕጅለ ምስ መንግስቲ ዝዀነ ርክብ ከምዘይብሉ እያ ሩስያ ብቐጻሊ ትኽሕድ፣ ብርግጽ፡ ቀጥታዊ ተሳትፎ ሩስያ ከምዘሎ ዘርኢ መርትዖ ከኣ የለን። ካፕተን ኢብራሂም ትራኦረ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ፡ ብዙሕ ከይጸንሐ ኣብ ዝበሎ፡ ነቲ ካብ 2015 ኣትሒዙ ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ እስላማዊ ጕጅለ ንምምካት ምስ ሓደስቲ ኣህጉራውያን መሻርኽቲ ምስራሕ ከም ዘድሊ ኣነጺሩ እዩ። ብዙሓት፡ ኣበሃህላኡ ንሩስያ ከም ዘመልክት ይግምቱ። እንተዀነ ኣተኵሮኡ ስዕረት ጅሃዳውያን ስለዝዀነ ምስ ኣሜሪካ ይዅን ካልኦት ኣብታ ሃገር ዘሎ ስእነት ጸጥታ ንምምሕያሽ ክሕግዛ ፍቓደኛታት ዝዀና ሃገራት ንምስራሕ ክፉት እዩ። ኣሜሪካ፡ ዓመታዊ ዓቢይ ስልጠና ጸረ-ግብረሽበራ ንሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ትውድብ’ኳ እንተዀነት፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ግን ክልቲአን ማሊን ቡርኪናፋሶን ካብ ስርሒት ‘ፍሊንትሎክ’ በዅረን እየን። ኣብ ማሊ ዘሎ ጁንታ፡ ካብቲ ኣብ 2020 ስልጣን ዝሓዘሉ ግዜ ንደሓር፡ ኣንጻር ኣውሮጳውያንን ኣሜሪካውያንን ኣዝዩ ተጻባኢ መርገጺ ምሓዙ ብምጥቃስ፡ \"ቡርኪናፋሶ ካብቲ ማሊ ዝኣተወቶ መጻወድያ ክትሃድም ትደሊ እመስለኒ\" ክብል ዶክተር ራማኒ ግምቱ የቐመጥ። \"ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ጽግዕተኛታትን ትሑዛት መንግስቲ ሩስያን ኰይኖም ኣለዉ\" ይብል። \"ልክዕ ከምቲ ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ፡ ሩስያውያን ሓንሳእ ኣብዚ ትያትራት’ዚ ምስ ኣተዉ ከውጽእዎም ኣይክኽእሉን እዮም።\" ጕጅለ ዋግነር ካብ 2018 ኣትሒዙ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ንጡፍ ምዃኑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ብጃምላዊ ቅትለት፡ ምስቓይ፡ ኣገዲድካ ምስዋርን ዓመጽን ዝኣመሰሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይኽሰስ እዩ። ንከም ዋግነር ዝኣመሰሉ ጕጅለታት ተሓተትቲ ምግባር ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮፐንሃገን ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰርን ኣደ መንበር ጕጅለ ስራሕ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣጠቓቕማ ዕሱባትን ዶክተር ሶርቻ ማክሊዮድ። ህላወኦም ከኣ ኣሉታዊ ውጽኢት ክህልዎም ከም ዝኽእል ትገልጽ። \"ኣብ ዕጥቃዊ ግጭታት እንተ ተሳቲፎም፡ ግጭታት ክናውሑን ገበናት ኲናት ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ሓደጋ ክበጽሑን እዮም።\" \"እቲ ክውንነት፡ እዘን ትካላት ግጭት ክፍታሕ እንከሎ ዝዀነ ረብሓ ዘይብለን ምዃኑ እዩ፤ ገንዘባዊ ድርኺት እዩ ዘለወን።\" ሩስያውያን ዕሱባት፡ ነቲ ኣብ ዩክረን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሩስያ ንምምዋል ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ማሊን ሱዳንን ዝርከብ ባህሪያዊ ሃብቲ ይዘምቱ ከምዘለዉ ኣሜሪካ ትገልጽ። ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃበቶ ተሪር መግለጺ፡ ኣፍሪካ እትኸፍሎ ከቢድ ዋጋ እዩ ኢላ። \"ዋግነር፡ ኣክንዲ ቅኑዕ መሻርኽቲ ዝኸውንን ጸጥታ ዘመሓይሽን፡ ነተን ኣምሳያ ናይ ዝህበን ጸጥታዊ ኣገልግሎት ብወርቂ፡ ኣልማዝ፡ ዕንጸይትን ካልእ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታትን ዝኸፍላ ዓማዊል ሃገራት ይምዝምዘን ኣሎ፤ እዚ ኣካል ንግዳዊ ሞዴል ጕጅለ ዋግነር’ዩ\" ትብል፡ ሊንዳ ቶማስ-ግሪንፊልድ ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ። \"እዚ ብሕማቕ ዝተረኽበ መኽሰብ፡ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቕን ዩክረይንን ንዘሎ ውግእ ሞስኮ ንምምዋል ከም ዝውዕል ንፈልጥ ኢና።\" እዚታት ድማ፡ ካፕተን ትራኦረ ንዅለን እንቋቝሖኡ ኣብ ሓደ ሰኪዐት ከየቐምጠን ንኽጥንቀቕ ገይርዎ ዘሎ ምዃኑ ዘረድእ እዩ። ዶክተር ራማኒ፡ \"ትራኦረ ንዝህሉ ፈተናታት ንምክልኻልን ንዅሉ ወገን ብሚዛን ክርኢ ክጽዕር ከም ዝኽእልን እግምት፡\" ይብል። \"ብርግጽ ግን፡ ዝዀነ ምስ ሩስያ ዝግበሮ ምትሕብባር ንፈረንሳን ንምዕራባውያንን ቀታሊ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣሜሪካን ፈረንሳን ምስ ሩስያ ብሓባር ክነብራ ዝኽእላ ኣይኰናን።\" \"እዚ’ዩ ኸኣ ንትራኦረ ላንጋላንጋ ገይርዎ ዘሎ! ምሉእ ብምሉእ ምስ ሩስያ ምውጋን ዶ? ወይስ ደገፋት ወጻኢ ምኽልካል? ከምኡ ምግባር ዝህልዎ ሓደጋ ኸ?\" ቍጥዐ ቡርኪናውያን መንእሰያት፡ ጅሃዳዊ ስግኣታት ምቕልባስ ቀዳምነት እቲ ሓድሽ መራሒ ክኸውን ከም ዘለዎ ዘርኢ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓደ መራሒ ዞባ፡ ብሰንኪ ‘ቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ስእነት ጸጥታ፡ ቡርኪናፋሶ \"ኣብ ኣፍደገ ውድቀት\" ከም ዝነበረት ገሊጹ። ዝዀነ ኰይኑ ጕጅለ ዋግነር ኣብ ቡርኪናፋሶ ክሳብ ክንደይ ውጽኢታውያን ምዀኑ ዝብል ሕቶታት ኣሎ። እዚ ጕጅለ ኣብ ማሊ ንሓደ ዓመት ዘይመልእ ንጡፍ ስርሒታት ከካይድ’ኳ እንተጸንሐ፡ መጥቃዕትታት ጅሃዳውያን ግን እናወሰኹ እዮም ክመጽኡ ጸኒሖም። ኣብ ርእሲኡ፡ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክኽሰሱ ስለዝጸንሑ፡ ብኣጋኡ ዝረኣዩ ዘለው ምልክታት ጽቡቕ ኣይመስሉን። እታ ሃገር፡ ኣብዚ ዓመተ 2022 ክሳብ ሕጂ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዕጡቓት ዝለዓለ ቝጽሪ ሞት ዘመዝገበት ማእከል ቅልውላው ሃገራት ሳሕል ዝዀነት ትመስል። ኣብ ርእሲኡ፡ እዛ ዓመት - 2022 እቲ ናዕቢ ካብ ዝጅምር ንደሓር ንኽልቲአን ሃገራት ቡርኪናፋሶን ማሊን ቅትለት ዝበዝሓ ዓመት ትመስል። \"ዋግነር፡ ህውከት ኣብ ምፍጣር ሓያል እዩ። ከም ተዋጋኢ ሓይሊ ግን ብፍላይ ኣብ ሓድሽን ተጻባእን መሬት እዩ ዝቃለስ ዘሎ\" ይብል ዶክተር ራማኒ። ፈረንሳ ንምስፍሕፋሕ እቲ ዓመጽ ደው ከተብሎ ዘይምኽኣላ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ዞባ ሳሕል ስልጣን ሒዞም ዘለዉ ወተሃደራውያን ጕጅለታት ምስ ሩስያ ክሰርሑ ክመርጹ ክድርዀም ከምዝኽእል ይኣምን። ኣብ ርእሲኡ፡ ሩስያ ኣዝያ ውሑድ ጠለብ ዘለዋ ናይ ወጻኢ መሻርኽቲ እያ። ዶክተር ራማኒ፡ \"ሩስያ ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራስን ኢዳ ዘይተእቱ መሻርኽቲ እያ ትረአ፡\" ይብል። \"ኣገባብ ኣነባብራኣ’ውን ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ክትጽዕን ኣይትፍትንን እያ - እዚ ድማ በቶም ምልካውያንን ‘ክለፕቶክራትን’ ኣመና ተደላዪ ባህሪ እዩ።\"","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cpd1zgz15z0o"} {"headline":"ካብ መጥቃዕቲ ሚሳይል ሩስያ ንስክላ ዝተረፈ ዩክሬናዊ","content":"ኣብ ርእሰ ከተማ ዩክረይን ኪቭ ሓደ ሰብኣይ ብእግሩ እንዳተጉዓዘ እንከሎ ካብ ሩስያ ብዝተተኮሰ ሚሳይል ንስክላ ተሪፉ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw064x5g515o"} {"headline":"ሩስያ ብዝፈፀመቶ ደብዳብ ኣየር፡ ዩክረይን ነዊሕ ምቁራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከጋጥማ’ዩ","content":"ሩስያ ኣብ መደብር ፀዓት ዩክረይን ብዝፈፀመቶ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ነበርቲ ርእሰ ከተማ ኪየቭ ንልዕሊ ኣርባዕተ ሰዓታት ዝዘልቕ ነዊሕ ምቁራፅ ሓይሊ መብራህቲ ከም ዘጋጥም ትፅቢት ክገብሩ ሰብመዚ ዩክረይን ኣጠንቂቖም። እዚ ምቁራፅ ሓይሊ መብራህቲ፡ ንኪየቭ ጥራሕ ዘይኮነስ ንከተማ ዲኒፕሮ ሓዊሱ፡ ንከተማታት ማእኸላይ ዩክረይን ዝሃስይ’ዩ። ፕረዝደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ኣስታት ኣርባዕተ ሚልየን ህዝቢ ተሃስዩ እዩ፡ እንተኾነ እዚ “ደብዳብ  ንዓና ኣይሰብረናን” ኢሉ። ሩስያ ኣብዚ ወርሒ ብዙሕ ሚሳይላትን ኢራን ሰራሕ ድሮናትን ናብ ዩክረይን ኣወንጪፋ እያ። ፕረዝደንት ዘለንስኪ፡ መደብር ፀዓት ዩክረይን በቶም ሩስያ ትፍፅሞም ዘላ መጥቃዕትታት ኣየር ዒላማ ከም ዝኾኑ ብምሕባር፡ ሲሶ መደብር ፀዓት እታ ሃገር ከም ዝዓነው ገሊፁ። ውልቀ ትካል ፀዓት ዲቲኢኬይ( DTEK)፡ ኪየቭ 30 ሚእታዊት ናይ ፀዓት ዓቕማ ከም ዝሰኣነት ብምሕባር፡ ቅድሚ ሕዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ምቁራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከጋጥም ግድን ከም ዝኸውን ኣፍሊጡ። ዳይሬክተር ዲቲኢኬይ ዲምትሮ ሳክሃሩክ፡ “ከም ዘይምዕዳል ኰይኑ እቲ መጠን ገደብ ወሳኒ’ዩ፤ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበረ ገደብ ዝለዓለ’ዩ” ኢሉ። እዚ ምቁርራፅ መብራህቲ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ምቾት ካብ ምስኣን ብተወሳኺ፡ ናይ መገዲ መብራህትታትን ብኤሌክትሪክ ንዝሰርሓ ህዝባዊ መጓዓዝያታትን እውን ዓጊቱ ኣሎ። ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት ዓለም ለኸ መሻርኽቲ ኪየቭን፡ ነቲ ኰነ ተባሂሉ ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ ሰላማውያን ሰባት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኰኒነሞ። ዩክረይን ነዚ መጥቃዕቲ  ከም ገበን ኵናት እያ ትርእዮ። እታ ካልአይቲ ዝዓበየት ከተማ ዩክረይን ካርኪቭ ሓዊሱ፡ ከተማታት ዚቶሚር፡ ፖልታቫን ቸርኒሂቭን እውን፡ ብሰንኪ እቲ ሩስያ ዝፈፀመቶ ደብዳብ ዝነውሐ ምቁራፅ መብራህቲ ኣጋጢምወን ኣሎ። ዩክረይን፡ ብትሽዓተ ጥቅምቲ ሩስያ ምስ ክሬምያ ኣብ ዘራኽብ ቁልፊ ድልድል ኬርች መጥቃዕቲ ቦምቧ ምፍፃማ ስዒቡ እዩ፡ ሩስያ፡ ሕዚ ሕነ-ንምፍዳይ ኣብ መደብራት ፀዓት ዩክረይንን ናይ ሲቪላት መሰረተ ልምዓታትን  መጥቃዕትታት ትፍፅም ዘላ። ፕረዝደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ዩክረይን  ነቲ ድልድል ምዕናዋ፡” ተግባር ግበረ-ራዕዲ” ብምባል ኰኒንዎ። ንሱ፡ እዚ ድልድል ንዓበይቲ ግዝኣታት ዩክረይን ናብ ሩስያ ናይ ምጥቕላል ወፍሪ ምልክት’ዩ ኢሉ። ተቖፃፃሪ ምንጪ ፀዓት ዩክረይን ፓቭሎ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ንፈለማ እዋን ምስ ገዚፍ ዕንወት ተፋጢጥና” ክብል ተዛሪቡ። እዚ ስሙ ዘይተፀርሐ መደብር ፀዓት፡ ክልተ ግዘ ብሚሳይልን ‘ካሚካዜ’ ብዝበሃል ኢራን ሰራሕ ድሮንን ከም ዝተደብደበ እቲ በዓል ሞያ ሓቢሩ። ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ፅገና ከም ዝተጀመረ ዝተዛረበ ፓውሎ፡ “እቶም ዝዓነዉ መሳርሕታት ፍሉያት ስለ ዝኾኑ፡ መለዋወጢ ንምርካብ ኣፀጋሚ ኰይኑ ኣሎ” ኢሉ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c8vg0d92323o"} {"headline":"ኣሜሪካ፡ 'ዘስካሕክሕ' መጥቃዕቲ ሚሳይል ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኰኒና","content":"ሩስያ፡ ንርእሰ ከተማ ኪቭ ሓዊሱ፡ ንብዙሓት ከተማታት ዩክረይን፡ ብሚሳይል ድሕሪ ምድብዳባ፡ ብሰፊሑ ተዀኒና'ያ። ኣሜሪካ፡ እቲ \"ዘስካሕክሕ\" ዝበለቶ መጥቃዕቲ፡ ​​ዩኒቨርስቲን መጻወቲ ህጻናትን ዝርከቦ ወተሃደራዊ ዘይኰነ ዒላማታት ከምዝሃረመ ብምግላጽ፡ ንዩክረይን ቀጻሊ ወተሃደራዊ ሓገዝ ከምእትገበር ቃል ኣትያ። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብወገኑ፡ \"ኣዝዩ ከምዝሰንበደ\" ገሊጹ። ቭላድሚር ፑቲን፡ እቲ መጥቃዕቲ፡ ሕነ ናይቲ ብሰንበት ኣብ ልዕሊ እቲ ንሩስያ ምስ ክረሚያ ዘራኽብ እንኮ ድልድል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምዃኑ ሓቢሩ። ዩክረይን፡ ነቲ መጥቃዕቲ ብዛዕባ ምፍጻማ ዛጊት ኣየረጋገጸትን። ዩክረይን፡ ብሓፈሻ 83 ሚሳይላት ከምዝተወንጨፉን ካብዚኦም ልዕሊ 43 ሚሳይላት ኣብ ሰማይ ክፈሽሉ ከምዝተገብሩን ኣፍሊጣ። ፕረዚደንት ዩክረን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ፡ \"ዩክረይን ክትርዕድ ኣይትኽእልን እያ። ዝያዳ ሓድነታ ክተጸንዕ ጥራይ እያ እትኽእል\" ኢሉ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ከተማታት ለቪቭ፡ ካርኪቭ፡ ድኒፕሮን ዛፖሪዝያን ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ ገለ ካብቶም ዩክረይን ንኣዋርሕ ዝረኣየቶም ዝኸፍኡ ኣጋጣሚታት እዮም። በቲ ሓድሽ መጥቃዕቲ ሚሳይል፡ ብውሕዱ 14 ሰባት ከምዝሞቱን ካልኦት ብዙሓት ከምዝቘሰሉን ሰበስልጣን ገሊጾም። ሚሳይላት፡ ንመሰረተ ልምዓት ጸዓት ድሕሪ ምውቃዖም ሓያሎ ከባቢታት ብዘይ መብራህትን ማይን ተሪፎም ኣለዉ። ነበርቲ ርእሰ ከተማ ኪቭ ከምዝበልዎ፡ መጻወቲ ህጻናት፡ ዩኒቨርሲቲን ህቡብ ፓርክ ታራስ ሸቭቸንኮን ዝርከብዎም፡ ሰኑይ ንግሆ ጻዕቂ ተጓዓዝቲ ዝነበርዎም ሲቪላዊ ከባቢታት ዒላማ ኰይኖም ኣለው። ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ እቶም መጥቃዕትታ፡ ንጹሃን ዝለዓለ ዋጋ ዝኸፍልሉ ዘለዉ ምዃኑ ብምሕባር፡ \"ተቐባልነት ዘይብሉ ምብላሕ’ቲ ኲናት\" ክብል ገሊጽዎ። ሕብረት ኣውሮጳ፡ ገበን ኲናት ከምዝተፈጸመ ክገልጽ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ኮሚሽን ኣውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን፡ ሩስያ ግብረ ሽበራን ጭካነን ትፍጽም ከምዘላ ከሲሱ። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ሓደ ካብቶም ምስ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ዝተዘራረቡ ብዙሓት መራሕቲ ሓደ ዀይኑ፡ \"ዩክረይን ርእሳ ንምክልኻል ዘድሊ ደገፍ፡ እንተላይ ምዕቡል ስርዓተ ምክልኻል ኣየር ምሃብ ክቕጽል ቃል ኣትዩ\" ይብል ዋይት ሃውስ። ጆ ባይደን፡ እቲ መጥቃዕቲ፡ \"ፍጹም ጭካነ\" ናይቲ ፑቲን ዘካይዶ ዘሎ \"ዘይሕጋዊ ኲናት\" ዘርኢ'ዩ ኢሉ። ባይደን ድሕሪ እቲ ዝርርብ ቴሌፎን፡ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ንዕጡቓት ሓይልታት ዩክረይን ከሐይልን፡ \"እቲ ዓውደ ውግእ ንጸላኢ ዝያዳ ዘሕምም ክገብሮን\" ጸዊዑ። ነቲ ኲናት ዘይኮነና ቻይናን ህንድን፡ እቲ ኲናት ክሃድእ ጸዊዐን። ኣምባሳደር ዩክረይን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰርገይ ኪስሊትስያ፡ እቶም መጥቃዕቲ ሚሳይላት ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ኣባላት ስድራኡ፡ ኣብ ከተማ ኪቭ ከምዝነበሩን ናብ መዕቆቢ ደብዳብ ክኸዱ ከምዘይከኣሉን ኣረዲኡ። ሩስያ፡ ንገለ ኣዝማዱ ከምዝተቐተለት ብምግላጽ፡ ተወሳኺ ግፍዕታት ንምክልኻል ብዝተኻእለ መጠን ብዝሓየለ መገዲ ክትዕገት ዘለዋ \"ሽበራዊት ሃገር\" ኢሉዋ። ንሱ ወሲኹ፡ ልኡኽ ሩስያ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ናብ ኣዳራሽ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፡ \"ኣሰር ደም\" ከም ዝገድፍ ገሊጹ። እቲ ሓፈሻዊ ባይቶ፡ ድሕሪ’ቲ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ ሩስያ ህጹጽ ኣኼባ ይካየድ ኣሎ። እቲ ኣኼባ፡ ዋላ’ኳ ሩስያ ድሕሪ ዘካየደቶ ረፈረንደም ስዒቡ፡ ንዝተጐበጣ ኣርባዕተ ዞባታት ዩክረይን ኣመልኪቱ ዝተጸውዐ እንተዀነ፡ በቲ ሎሚ ንግሆ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ግን ተዓብሊሉ’ሎ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cx76v9jl3lwo"} {"headline":"ኲናት ዩክረይን፡ ኣዛዚ ሰራዊት ሩስያ ኵነታት ኬርሶን ከምዝጸንከረ ተኣሚኑ","content":"ኣዛዚ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ዩክረይን፡ እቲ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ኬርሶን ዘሎ ኵነታት ከምዝኸበደ ብምግላጽ ነበርቲ ብቕልጡፍ ከምዝግዕዙ ሓቢሩ፡፡ ሰራዊት ዩክረይን ሮኬት ሂማርስ ይጥቀሙ ከምዘለዉ ዝገለጸ ጀነራል ሰርገይ ሱሮቪኪን ትሕተ ቕርጽን መንበሪ ኣባይትን እታ ከተማ ይድብድቡ ከምዘለዉ ንተሌቪዥን ሩስያ ተዛሪቡ፡፡ \"ቅድሚ ዅሉ ሰራዊት ሩስያ ምግዓዝ ነበርቲ ውሑስ ክገብር እዩ’’ እውን ኢሉ፡፡ እቲ ጀነራል ከበድቲ ጸገማት ከምዘጋጠምዎም ክእመን ዘይተለመደ ኰይኑ፡ ኣመሓዳሪ እቲ ከባቢ እውን ተመሳሳሊ መጠንቀቕታ ሂቡ፡፡ ብሩስያ ዝተሸመ ዞባዊ ኣመሓዳሪ ኪሪል ስትሪሞሶቭ፡ ሰራዊት ዩክረይን ኣብ ሓጺር እዋን መጥቃዕቲ ክኸፍቱ እዮም ክብል ነቶም ነበርቲ ኣጠንቂቝ፡፡ ንሱ ኣብ ተሌግራም ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ \"በጃዅም ንዘረባይ ብልቢ ውሰድዎ፤ ብዛዕባ ቀልጢፍካ ምግዓዝ እየ ዝዛረብ ዘለኹ\" ኢሉ፡፡ ኬርሶን፡ ሰራዊት ሩስያ ወራር ኣብ ዝጀመረሉ ወርሒ ለካቲት ዝተቘጻጸራ ፈላመይቲ ዓባይ ከተማ እያ፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ሰራዊት ዩክረይን ብሓይልታ ሩስያ ተታሒዞም ዝነበሩ ከባቢታት ብቐጻሊ የልቅቕ ቀንዩ። ኣብ ኬርሶን ናብ ዝርከብ ከባቢ ሩባ ዲኒፐር ኣስታት 30 ኪሜ ደፊኡ ብምእታዉ ድማ ሰራዊት ሩስያ ከይቍረጽ ሰጊኡ ኣሎ፡፡ ጀነራል ሱሪቪኪን፡ \"ኣብቲ ፍሉይ ወፍሪ ዝካየደሉ ዘሎ ከባቢ፡ ብሓፈሻ ኵነታት ከቢድ እዩ ኢልካ ምግላጽ ይከኣል\" ኢሉ፡፡ ሩስያ ኬርሶን ሓዊሱ ሰለስተ ዞባታት ሩስያ ናብ ግዝኣታ ከምዝጠቕለለተን ዝገለጸት ኰይና፡ ማሕበረሰብ ዓለም ግን ኣይተቐበሎን፡፡ መጠን ናይቲ ሩስያ ካብ ኬርሶን ክተግዕዞ ወጢና ዘላ ህዝቢ ዘይተፈለጠ'ኳ እንተዀነ፡ እታ ሃገር ነበርቲ ገዛኦም ገዲፎም ክወጹ እንድሕር ኣገዲዳ ግን ብመሰረት ስምምዕ ሕቡራት ሃገር ገበን ኲናት ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ዩክረይን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ ሩስያ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ኣሽሓት ነበርቲ ማርዩፖል ናብ ግዝኣታ ወሲዳቶም ክትብል ከሲሳ ነይራ፡፡ ታሕተዋይ ባይቶ ሩስያ ትማሊ ኣብ ምግዓዝ ነበር ኬርሶን ኣምልኪቱ ከምዝተዘራረበ ዝተገለጸ ኰይኑ፡ ነቶም ዝግዕዙ ሰባት ናይ መንበርን ገንዘብን ሓገዝ ከምዝግበረሎም ሰብመዚ ሩስያ ገሊጾም፡፡","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ceqyg0jgxx3o"} {"headline":"\"እቲ ኵናት ኣንጻር ህዝብና ዝቐንዐ'ዩ\" ወተሃደር ሩስያ ነበር","content":"ሩስያዊ ወተሃደር ነበር ሰርጌ [ሽሙ ተቐዪሩ ኣሎ] ወዲ 31 ዓመት መንእሰይ ኮይኑ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር ሰሪሑ'ዩ። ሕጂ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን እተካይዶ ዘላ ኵናት ኣንጻር ዩክረይን ዘይኮነስ \"ኣንጻር ህዝብና'ዩ\" ዝብል መርገጺ ኣለዎ። ንሱ በዓልቲ ቤቱን ወዱን ኣብ ሩስያ ገዲፉ ዶብ ጆርጅያ ሰጊሩ ሕጂ ኣብ ቱርኪ ክቕመጥ ወሲኑ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cmjxl3vz6ylo"} {"headline":"ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ዋዕላ ኵነና ሩስያ ድምጸን ዓቂበን","content":"ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብቲ ሩስያ ንኣርባዕተ ዞባታት ዩክረይን ምጕባጣ ንምዅናን ዝወዓለ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ድምጸን ዓቂበን። እቲ ውሳነ ናይ 143 ሃገራት ድጋፍ ዓብላሊ ድምጺ ክረክብ እንከሎ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተፈላለየ መርገጽ ሒዘን። ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ቻይናን ህንድን ዝርከብአን 35 ሃገራት ድምጸን ካብ ምሃብ ተዓቂበን። ሩስያ፡ቤላሩስ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ሶርያን ኒካራጓን ነቲ ውሳነ ነጺገናኦ። እዚ፡ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ እትጅምር ንደሓር ዝዓበየ ኣንጻራ ዝቐንዐ ድምጺ እዩ። ኣብዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቤተመንግስቲ ሩስያ ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ንምብራቓዊ ዞባታት ሉሃንስክ፡ ዶነስክ፡ ዛፖሪዚዝያን ኼርሶንን ኣካል ሩስያ ዝገብር ሰነድ ከቲሙ እዩ። ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ድሕሪ ምፍጻማ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ነቲ ወራር ንምኹናን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ ጥራይ ነቲ ውሳነ ክትቃወሞ እንከላ፡ ሩስያ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ሶርያን ቤላሩስን እየን ተመሳሳሊ መርገጺ ዝወሰዳ ሃገራት እየን። 17 ሃገራት ኣፍሪቃ ድምጸን ዓቂበን ምንባረን ይዝከር። ኣብዚ ናይ ሕጂ ድምጺ፡ መሻርክቲ ሩስያ ዝበሃላ ኢትዮጵያ፡ ማሊ፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ዶሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ሱዳን፡ ኡጋንዳን ዚምባብወን ዝርከባአን ሃገራት ድምጸን ዝዓቀባ እየን እየን። ካብዘን ድምጸን ዝዓቀባ ሃገራት እተን ሰለስተ፡ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ጽልዋ ንምሕያል ኣብ ዝሃለፈ ሓምለ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ዝበጽሐን ሃገራት እየን። ላቭሮቭ፡ ናብ ኢትዮጵያ፡ ግብጺ፡ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐን ኡጋንዳን ዑደት ምግባሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝጸንሓሉ ኣጋጣሚ፡ ንቅልውላው ዋጋታት መግቢን ነዳድን ዓለም ቀንዲ ተሓተትቲ ምዕራባውያን ምዃኖም ገሊጹ ምንባሩ ኣይርሳዕን። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ዲሚትሪ ኩሌባ፡ ነቲ እናሓየለ ዝመጽእ ዘሎ ጽልዋ ሩስያ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምቕልባስል ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዑደት ክገብር ጀሚሩ ምንባሩ ይፍለጥ። እንተዀነ፡ እቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ተካይዶ ዘላ ደብዳብ እናሓየለ ብምምጽኡ፡ ዑደቱ ከቋርጽ ተገዲዱ። ኣብዚ ሓፈሻዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቡርኪናፋሶ፡ ካሜሩንን ኢኳቶርያል ጊኒን ከምዘይተረኽባ ተፈሊጡ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cz91k2r7w5go"} {"headline":"ኤሎን መስክ፡ ንግልጋሎት ኢንተርኔት ዩክሬን ዝገብሮ ድጋፍ ከምዝቋረጽ ኣፍሊጡ","content":"ኤሎን መስክ፡ ትካሉ ሮኬት ስፔስኤክስ፡ ንኣገልግሎት ኢንተርኔት ስታርሊንክ ዩክሬን ዝገብሮ ክፍሊት ንዘይተወሰነ እዋን ከምዝቋረጽ ገሊጹ። ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ወተሃደራትን ህዝብን ዩክሬን ኣገልግሎት ኢንተርኔት ንኽረኽቡ፡ ናይቲ ትካሉ ስርዓት ሳተላይት ኢንተርነት ኣብ ዩክሬን ክሰርሕ ገይሩ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግን እቲ ወናኒ ቴስላ ኣብ ክንዲ ንሱ ፔንታጎን ነቲ መደብ ንኽምውል ከምዝሓተተ ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ሓቢረን። ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ንዩክሬን ገለ መሬት ኣሕሊፋ ንክትህብ ሓሳብ ምቕራቡ ቁጥዐ ኣልዒሉ ነይሩ። መስክ፡ ብዓርቢ ኣብ ትዊተር ዝዘርገሖ ጽሑፍ፡ \"ስፔስኤክስ ዝሓለፈ ወጻኢታት ንኽምለስ ኣይሓትትን'ዩ፡ እንተኾነ ግን ነቲ ዝጸንሐ ስርዓት ንዘይተወሰነ እዋን ክምውል ኣይክእልን'ዩ\" ይብል። ስታርሊንክ፡ ብመርበብ ሳተላይታት ኣቢሉ ግልጋሎት ብሮድባንድ ኢንተርኔት እዩ ዘቕርብ። ዩክሬን፡ ብሩስያ ዝተጎበጠ መሬታ ክተምልስ ትቃለሰሉ ኣብ ዘላ እዋን ንወተሃደራዊ ሓይሊ ዩክሬን ኣገዳሲ ግልጋሎት እዩ። ኣብዚ ሰሙን ዩክሬን፡ ድሕሪ ልዕሊ 100 መጥቃዕቲ ሚሳይላት ሩስያ፡ ኣብ ወሰንቲ ሚድያት ትሕተ ቅርጻ ዳግማይ ንምጅማር ምሕጋዙ ንስታርሊንክ ኣመስጊናቶ እያ። እቲ መደብ ግን ንኽቐጽል ኣብ ወርሒ 20 ሚልዮን ዶላር ከምዘውጽእ መስክ ይገልጽ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ስፔስኤክስ ኣብ ዩክሬን ኢንተርኔት ንከይቋረጽ ክሳብ ሕጂ 80 ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ከምዝገበረ ገሊጹ ነይሩ። \"ብዘይካ ተርሚናላት፡ ሳተላይታትን ናይ መሬት መደበራትን ክንፈጥር፡ ክንውንጭፍ፡ ክንዕቅብን ክንትክእ ኣለና\" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። \"ካብቲ እናኸበደ ይኸይድ ዘሎ ሳይበር መጥቃዕቲን ዓፈናን እውን ክንከላኸል ተገዲድና ኢና።\" ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ዩክሬን ሚካይሎ ፌዶሮቭ፡ ምስ መስክ ዘሎ ወጥሪ ኣቃሊሉ፡ እቲ ቢልዮነር \"ካብቶም ንዩክሬን ዝድግፉ ላዕለዎት ውልቀ ለገስቲ ዓለምና ሓደ'ዩ\" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። ኣብቲ ጽሑፍ \"ስታርሊንክ ኣገዳሲ ባእታ ናይቲ ወሳኒ ትሕተ-መዋቕርና'ዩ\" ክብል ወሲኹ ገሊጹ። ሓደ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዩክሬን፡ ዩክሬን ስታርሊንክ ንኽቕጽል ፍታሕ ክትረክብ ምዃና ሓቢሩ። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ መስክ፡ ዩክሬን፡ ሩስያ ንክሪሚያ ምጉባጣ ተቐቢላ ኣብቶም ብሩስያ ዝተወረሩ ዞባታታ ድማ ረፈረንደም ክካይድ ትፍቀድ ዝብል እማመ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ነይሩ። ሩስያ ነቲ ሓሳብ ኣወንታዊ ምላሽ ሂባ ነይራ። እቲ ካብ ስልጣኑ ዝወረደ ኣብ ጀርመን ኣምባሳደር ዩክሬን ዝነበረ ኣንድሪጅ መልኒክግን፡ ናይ ጸርፊ ቃል ተጠቒሙ ንመስክ ርሓቕ ኢሉ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ነይሩ። መስክ ነቲ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መልሲ \"ናቱ ለበዋ ኢና ንፍጽም ዘለና\" ኢሉ። ሩስያ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ድሕሪ’ቲ ብዩክሬንን ብምዕራባውያን መሻርኽታን ቅኑዕ ኣይኮነን ብዝብል ዝተወግዘ ሪፈረንደም፡ ተወሳኺ ኣርባዕተ ዞባታት ዩክሬን ኣካል ሩስያ ምዃነን ኣዊጃ እያ። እንተኾነ ግን ኣርባዕቲአን ዞባታት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሩስያ ኣይኮናን። መስክ፡ ዓለም ነታ ኣብ 2014 ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብሩስያ ዝተጎበጠት ክሪሚያ ከም ኣካል ሩስያ \"ብወግዒ\" ኣፍልጦ ክትህብ ከምዘለዋ'ውን ሓሳብ ኣቕሪቡ'ሎ። ኣብዚ ሰሙን መስክ፡ ነቲ ቅድሚ ኣብ ትዊተር ምጽሓፉ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ተዘራሪቡ ነይሩ ዝብል ሓሳብ ነጺጉዎ’ዩ። \"ምስ ፑቲን ሓንሳብ ጥራይ እየ ተዘራሪበ፡ ንሱ’ውን ቅድሚ ኣስታት 18 ኣዋርሕ'ዩ ነይሩ። ብዛዕባ ህዋ ኢና ተዘራሪብና\" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። መስክ ከምዚ ኢሉ ዝጸሓፈ፡ ሓደ ተመራማሪ ክኢላ፡ መስክ ብዛዕባ እቲ ዝተባህለ ዕላል ብውልቁ ከምዝነገሮ ድሕሪ ምግላጹ'ዩ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cql0yneg9eno"} {"headline":"ዝበለጸን ዝሓመቐን ባጤራታት ኣፍሪቃ","content":"ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝርኣዩ ዘለው ብዙሓት ምኽንያታት፡ ዓለምለኻዊ ቁጠባ ክናጋዕ ገይሮም እዮም። ኣብ 2020 ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝጀመረ ቅልውላው፡ ንዓለምለኻዊ ንግዲ ዳርጋ ደው ከብሎ እንከሎ፡ ኣብዚ ዓመት [2022] ወርሒ ለካቲት ዝተወልዐ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ድማ ካልእ ሰኸም ኰይኑ ኣሎ። ቁጠባ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ቅድሚ እዞም ዓለምለኻዊ ቅልውላዋት’ውን እንተዀነ ሰንከልከል ክብል’ዩ ጸኒሑ። መብዛሕትአን፡ ዕድአን እናወሰኸ ስለ ዝመጽአ ብዕዳ ተሓኒቐን እየን። ኣብዘን ሃገራት፡ ዋጋታት ኣቑሑ እናነከየ ክመጽእ እንከሎ፡ ገሊአን ሃገራት ሸርፊ ወጻኢ’ውን ክሓጽረን ጀሚሩ። ምስ እዚ ብዝተሓሓዝ፡ መተዓዳደጊ ባጤራ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ዶላር ኣሜሪካ ዘለዎ ኣፈላላይ ኣዝዩ ወሲኹ። ኣብ ቀረባ እዋን ግን፡ ባጤራ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ዶላር ኣሜሪካ ብመንጽር ዘለዎ ኣፈላላይ፡ ክልተ መልክዕ ዝሓዘ ኰይኑ፤ ገሊኡ ክሕይል እንከሎ፡ ገሊኡ ግን ኣዝዩ ሓሚቑ ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብዚ ዓመት መተዓዳደጊ ገንዘብ ዛምቢያ - ክዋቻ፡ ኣብ ዓለም ብመንጽር ዶላር እቲ ዝሓየለ ባጤራ ኰይኑ እዩ። እዚ ገንዘብ ኣብ 2022 ክሳብ ሕጂ፡ 15 ሚኢታዊት ዕብየት ኣርእዩ እዩ። እዚ መኽሰብ፡ ኣብቲ ፕረዚደንት ሃካይንደ ሂቺለማ፡ ቁጠባ እታ ሃገር ንምልዓል ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ፡ ብቐንዱ ድማ ንዕዳ ወጻኢኡ ዳግማይ ብምውዳብ ቁጠባ እታ ሃገር ዘላቒ ንምግባር ምስ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ዝተሓሓዝ’ዩ ክብሉ ክኢላታት ይዛረቡ። ኣብ ወርሒ መስከረም፡ እታ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ሃገር 1.3 ቢሊዮን ዶላር ልቓሕ ንምርካብ ምስ ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ ወሳኒ ስምምዕ ፈሪማ እያ። እዚ ገንዘብ፡ መንግስቲ ምስ ቻይናን ካልኦት ኣለቃሕትን ብዛዕባ ዘሎ ክቡር ዕዳ ዳግማይ ዝርርብ ኣብ ዝጅምረሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብያተ ትምህርትን ሆስፒታላትን ምምዋል ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ማሕበረ- ቁጠባዊ መደባት ንምምዋል ከኽእሎ እዩ። ዛምቢያ፡ መዓድን ነሓስ ብብዝሒ እተፍሪ ሃገር ኰይና፡ እቲ ሕጂ መንግስቲ እታ ሃገር ዝወስዶ ዘሎ ስጉምታት፡ ኣውፈርቲ ወጻኢ ዝነበሮም እምነት ናብ ንቡር ክምለስ ገይሩ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ብዙሓት ኣዝየን ዝማዕበላ ሃገራት ዓለም ምስ ዝቕባበ ባጤራ ኣብ ዝቃለሳሉ ዘለዋ እዋን፡ ኣብታ ሃገር ዝርአ ናህሪ ዋጋታት ክሃድእ ገይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዛምብያ 21 ሚኢታዊት ዝቕባበ ክተመዝግብ እንከላ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ 9.9 ሚኢታዊት ወሪዱ ኣሎ። ናብ ጋና እንተኸይድና ክኣ፡ መተዓዳደጊ ባጤራ ሴዲ፡ ኣብቲ ብ2015 ክዋቻ ኣብ ዝነበሮ ኩነታት እዩ ዘሎ። መተዓዳደጊ ባጤራ 148 ሃገራት ዝርኢ መከታተሊ ባጤራ ብሉምበርግ፡ ብሰኑይ፡ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ዕዳጋ ዓለም እቲ ዝሓሰረ ባጤራ እዩ ኢሉዎ። ሴዲ፡ ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ዋግኡ 48 ሚኢታዊት ኣንቆልቂሉ እዩ። ኣውፈርቲ ወጻኢ፡ ኣብታ ሃገር ዘለዎም እምነት ብምስኣኖምን ብዶላር ጋና ዝሽየጡ ቦንድታት ካብ ፖርትፎሊዮኦም ክኣልዩዎም ድሕሪ ምውሳኖም ሴዲ ዋጋኡ እናኸፍአ መጺኡ። ብመሰረት ጸብጻብ ማእከላይ መኽዘን ዋሕስ እታ ሃገር፡ ኣብ ኢድ ኣውፈርቲ ወጻኢ ዝነበረ መጠን ቦንድ መንግስትን ትካላትን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናብ 12.3% ወሪዱ’ዩ። እዚ ድማ ጋና ካብ ኣህጉራዊ ኣለቃሕቲ ከምኡ’ውን ከምቲ ዛምቢያ ምስ ትካል ገንዘብ ዓለም ዝኣተወቶ ውዕል ከይትረክብ ምኽንያት ኰይኑ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ዋጋ መነባብሮ ጋና ንዝሓለፉ 16 ኣዋርሕ ክኸብር ጸኒሑ፤ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብታ ሃገር ዝቕባበ 37.2% በጺሑ። ትማሊ ሰኑይ፡ ኣክራ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ንኻልኣይ ግዜ ትካላት ንግዲ ክትዓጹ ምዃና ኣጠንቂቓ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c0d980k3ygyo"} {"headline":"ዩክሬናውያን፡ መብራህቲ ስለ ዝጠፍእ ‘ኵሉ ነገር ቻርጅ ክገብሩ' ተነጊሩዎም","content":"ኩባኒያ ጸዓት ዩክረይን፡ ብመጥቃዕቲ ሚሳይል ሩስያ ዝስዕብ ምቁራጽ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከጋጥም ስለ ዝኽእል፡ ዜጋታት \"ኩሉ ባትሪ ክመልኡ\" [ቻርጅ ክገብሩ] ኣተሓሳሲቡ። ትማሊ፡ ትካላት ጸዓት ዳግማይ ብሚሳይላት ሩስያ ተሃሪመን ኣለዋ፤ ኣካል ናይቲ ካብ 10 ጥቅምቲ 2022 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ማዕበል መጥቃዕቲ ኰይነን ጸኒሐን። ሎሚ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ንኣስታት ኣርባዕተ ሰዓታት ዝበጽሕ ምቁራጽ መብራህቲ ክህሉ ከም ዝኽእል ተገሊጹ። በዚ መሰረት፡ ቴሌፎናት፣ ፓወር ባንክ፣ ላምባዲናን ባትርታትን ቻርጅ ምግባር ከም ዘድሊ ኣተሓሳሲቡ። ብተወሳኺ ንዩክሬናውያን ማይ ክዋህልሉን \"ምውቕ ካልሲን ኰቦርታንን\" ከም ዘለዎም ከረጋግጹን ጻውዒት ቐሪቡሎም ኣሎ። ቅድም ኢሉ፡ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ 30 ሚኢታዊት መደበራት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዩክረይን ብደብዳብ ኣየር ሩስያ ከም ዝተሃስየ ገሊጹ ነይሩ። ኩባኒያ ዩክሬነርጐ፡ ሩስያ ብ24 ለካቲት ካብ እትውረር ንድሓር፡  ኣብተን ዝሓለፋ 10 መዓልታት ቅድሚኡ ካብ ዝነበረ ንላዕሊ፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝበዝሐ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ገሊጹ። \"ጽባሕ ቁጽጽር ዝግበረሉን ዝተቐመረን ቀረብ ክንትግብር ኢና፤ እዚ ድማ እቲ ስርዓት ብሚዛናዊ መንገዲ ንኽሰርሕ ክሕግዘና’ዩ\" ክብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገሊጹ። ስለ ዝዀነ ድማ፡ ኣብ መላእ ዩክረይን ንኣስታት ኣርባዕተ ሰዓታት መብራህቲ ክጠፍእ ከም ዝኽእል እቲ ኩባኒያ ሓቢሩ። ስፍሕ ዝበለ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ድሮ ንገለ ክፋል ርእሰ ከተማ ኪቭን ንብዙሓት ዞባታት ዩክረይንን ጸልይዎ ኣሎ። ሚሳይላት ሩስያ፡ ንኸም ኣብ ምዕራብ ዩክረይን ዝርከባ ካብቲ ውግእ ዝርሓቓ ከተማታት ሊቪቭ ሓዊሱ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከብ ትሕተ ቕርጺ ኣዕኒዮም’ዮም። ሰብመዚ ዩክረይን፡ ዜጋታት ኣብ ኣጋምሸት ዘለዎም ኣጠቓቕማ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክንክዩ ኣተሓሳሲቦም። ዩክሬነርጐ፡ \"ምስ ምጅማር ዝሑል ኩነታት ኣየር ክንእግድ ኣይምተገብአን፤ ግን ብብዝሒ እንተሓገዝኩምና ንሓትት\" ኢሉ። ሃገራት ምዕራብ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቕርጺ ዩክረይን ዝበጽሕ ዘሎ ዕንወት ኰኒነን። ፕረዚደንት ሕብረት ኣውሮጳ፡ “ኣብ ልዕሊ ስቪላውያን ትሕተ ቕርጺ ብፍላይ ድማ ኤሌክትሪክ ዝፍጽም ዘሎ መጥቃዕቲ ሩስያ፡ ገበን ኲናት’ዩ” ክትብል ኣብ ትዊተር ጽሒፋ። ሩስያ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ቀረባ ኣብ ዝጐበጠተን ከባቢታት ዩክረይን ዝዀና ኼርሶንን ዛፖሪዢያን ከምኡ’ውን ዶኔስቴክን ሉሃንስክን ወተሃደራዊ ሕጊ ተግባራዊ ትገብር ኣላ። ክረምሊን፡ ሕጂ እቶም ከባቢታት ኣካል ሩስያ እዮም ትብል፤ ማሕበረሰብ ዓለም ግን ኰኒኑዎን ነጺጉዎን እዩ። በዚ መሰረት፡ ኣብተን ከባቢታት ኣብ ዝህሉ ምንቅስቓስ ጽኑዕ ሓለዋ ጸጥታን እገዳታትን ክህሉ’ዩ። እንተዀነ፡ ብሙልአን እተን ዞባታት ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ሰራዊት ሩስያ ኣይኰናን ዘለዋ። ሓይልታት ዩክረይን፡ ይደፍኡ ብምህላዎም ሩስያ ካብ ዞባ ኼርሶን ዓሰርታት ኣሽሓት ስቪላውያንን ዝሸመቶም መራሕትን ተውጽእ ኣላ። ዩክረይን ግን፡ ነበርቲ፡ ነቲ ምግዓዝ ክነጽጉዎ ጸዊዓ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cm5emk7lndmo"} {"headline":"ኣባል ሃገራት ኔቶ፡ ምክልኻል ሚሳይል ዩክረይን ንምሕያል ሓገዝ ኣጽዋር ገይረን","content":"ሩስያ፡ ኣብ ልዕሊ ከተማ ኪቭ መጥቃዕታት ሚሳይል ድሕሪ ምፍጻማ፡ ኣብ ጐኒ ዩክረይን ዘለዋ ኣባል ሃገራት ኔቶ፡ ንኪቭ፡ ምዕቡል ኣጽዋር ምክልኻል ኣየር ክህባ ምዃነን ኣፍሊጠን። ዓባይ ብሪጣንያ፣ ካናዳ፣ ፈረንሳን ሆላንድን፡ ሚሳይላትን ራዳርን ንዩክሬይን ከም ዝህባ ቃል ኣትየን። ኣሜሪካ፡ ኣቐዲማ ተመሳሳሊ መብጽዓ ክትኣቱ እንከላ፡ ሓደ ካብ ጀርመን ዝመጽአ ላዕለዋይ ስርዓት - ቴክኖሎጂ ድሮ ናብ ዩክረይን በጺሑ ኣሎ። መራሕቲ 50 ኣባል ሃገራት ኔቶ፡ ትማሊ ኣብ ብራስለስ - ቤልጅዩም ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት እቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ተኣኪቦም ነይሮም። ኪቭ፡ ነቲ ዋዕላ \"ታሪኻዊ\" ክትብል ንኢዳቶ። ዩክረይን፡ ብሰኑይን ሰሉስን፡  ሩስያ ልዕሊ 100 ሚሳይላት ከም ዝተኮሰትን ብዓሰርተታት ዝቑጸራ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዝተጠቕመትን ትገልጽ። በዚ፡ ትሕተ ቅርጺ ጸዓትን ካልኦት ወተሃደራዊ ዘይኰኑ ዒላማታትን ከም ዝሃረመት ትኸስስ። ኣብቲ ኣብ መጀመርታ መዓልቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕታት ከኣ፡ 19 ሰባት ሞይቶም። ብተወሳኺ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ዩክረይን ሰፊሕ ምቁራጽ ሓይሊ ኤለክትሪክን ምቁራጽ ቀረብ ማይን ኣስዒቦም። በዚ ምኽንያት፡ ሰበ ስልጣን ርእሰ ከተማ ኪቭ፡ ናብ ምምቕራሕ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክኣትው ተገዲዶም ኣለው። ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ እቲ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ሕነ ናይቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ንሩስያን ክረምያን ዘራኽብ ኣገዳሲ ድልድል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከም ዝዀነ ይገልጽ። ሩስያ፡ ኣብ 2014 ንክረሚያ ከም ዝጐበጠታ ይዝከር። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ልዕሊ እቲ ድልድል ዘጋጠመ ነትጒ፡ ብትካል ስለያ ዩክረይን ዝተወደበ ምዃኑ መንግስቲ ሩስያ ይገልጽ። ዩክረይን ግን ነዚ ኽሲ ትነጽጐ። ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሚሳይላት ምክልኻል ኣየርን ንዓቕሚ ምእካብ ሓበሬታን ሎጀስቲክስን ዩክረይን ክሕግዙ ዝኽእሉ ኣማኢት ድሮናትን ከተበርክት እያ። ብተወሳኺ፡ 18 ሆዊትዘር ዝተባሃለ ከቢድ ብረት ከተህብ እያ። ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ቤን ዋሌስ፡ \"ሩስያ ኣብ ዩክሬን ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ከባቢታት ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ነቶም ንሃገሮም ክከላኸሉ ዝደልዩ ተወሳኺ ደገፍ ከም ዘድልዮም ዘረጋግጽ’ዩ። \"እዚ ኣጽዋር፡ ዩክረይን ሰማያታ ካብ መጥቃዕቲ ክትከላኸልን ሓፈሻዊ ዓቕሚ ምክልኻል ሚሳይል ከተሐይልን ክሕግዝ'ዩ\" ኢሉ። ሚኒስተር ምክልኻል ኣሜሪካ ሎይድ ኦስቲን ብወገኑ፡ ድሕሪ እቲ ትማሊ ኣብ ብራስለስ ዝተኻየደ ኣኼባ-ኔቶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ \"ንሳቶም [ዩክሬናውያን] ውጽኢታዊ ንኽዀኑ፡ ኣድላዩ ዘበለ ኩሉ ክንገብር ኢና” ክብል ተዛሪቡ። ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ድማ፡ ሃገሩ ንዩክረይን ስርዓታት ምክልኻል ኣየር ከም እተቕርብ ሓቢሩ። ንሱ፡ ምስ ተለቪዥን ፈረንሳ-2 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ኣየኖት ስርዓታት ከም ዝለኣኹ እኳ እንተዘየነጸረ፡ ቀንዲ ዕማሞ እቶም ዝቐርቡ ሓገዛት ህዝቢ ካብ መጥቃዕቲ  ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ንምክልኻል ከም ዝኸውን ገሊጹ። ሆላንድ፡ 14.5 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ሚሳይላት ምክልኻል ኣየር ከተቕርብ እያ ዝበለ ሚኒስተር ምክልኻል ካጅሳ ኦሎንግረን፡ መጥቃዕቲ ሩስያ \"ንዩክረይንን ህዝባን ዘይዛሪ ድጋፍ ብምግባር ጥራይ’ዩ ክምከት ዝኽእል” ኢሉ። ካናዳ፡ ናይ ሳተላይት መራኸቢታትን ካሜራታት ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ዝርከቦ ልዕሊ 34 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ወተሃደራዊ ሓገዝ ክትህብ ቃል ኣትያ። ዓባይ ብሪጣንያ እትገብሮ ሓገዝ ኣጽዋር ኣብ ቀረባ እዋን ወግዓዊ ክትገብር ትጽቢት ይግበር። ሰራዊት ዩክረይን ብረቡዕ ካብ ጀርመን ዝመጽእ ኣጽዋር ከም ዝተቐበሉ ገሊጹ ነይሩ። ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዜለንስኪ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዝበጽሕ ደብዳብ ነፈርቲ ንምክልኻል ንኣዋርሕ መሓዙት ዩክረይን ሓገዝ ክገብራ ክምሕጸን ጸኒሑ እዩ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cx97j0xnjrzo"} {"headline":"ንሩስያ ዝዀነነ ማዳካስካዊ ሚኒስተር ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ","content":"ፕረዚደንት ማዳካስካር፡ ሩስያ ኣብ ዝጐበጠተን ዞባታት ዩክረይን መረጻ ክካየድ ምግባራ ንዝኹንን ውሳነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዝደገፈ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ እታ ሃገር ካብ ስልጣኑ ከም ዝኣለዮ ምንጭታት ገሊጾም። ሪቻርድ ራንድሪማንድራቶ፡ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ፡ ንጐበጣ ሩስያ ዝኹንን ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት \"ንመንግስቲ ሃገሩ ከየማኸረ ከም ዘድመጸ\" ጸብጻባት ማዕኸን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሮም። ክልተ ምንጪታት ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል'ውን፡ እቲ ሚኒስትር ንዝተኣለየሉ ምኽንያት ኣረጋጊጾም። ኣብቲ ኣኼባ ነቲ ሩስያ ዘካየደቶ መረጻታት ዝበዝሕ ማሕበረሰብ ዓለም ክኹንኖ እንከሎ፡ 142 ሃገራት ነቲ ውሳነ ደጊፈን ኣድሚጸን እየን። ክሳብ ሕጂ፡ ማዳካስካር ኣብ ጉዳይ ኲናት ዩክረይን፡ ልክዕ ከም መብዛሕትአ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘይሻራዊ መርገጺ እያ ሒዛ ጸኒሓ። እቲ ዓብላሊ ውሳነ ድጋፍ 143 ሃገራት ክረክብ እንከሎ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተፈላለየ መርገጺ ሒዘን። ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ቻይናን ህንድን ዝርከብአን 35 ሃገራት ድምጸን ካብ ምሃብ ተዓቂበን። ኣብቲ ኣኼባ ድምጸን ካብ ምሃብ ክዕቅባ ካብ ዝመረጻ ሃገራት እውን እተን ዝበዝሓ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ እየን ነይረን። ቤላሩስ፣ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮርያ፣ ኒካራጓ፣ ሩስያን ሶርያን ግን ነቲ እማመ ተቓዊመን። ምብራቓዊ ዞባታት ሉሃንስክን ዶነስክን ከምኡ’ውን ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ዝርከባ ዛፖሪዢያን ኼርሶንን ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ሩስያ ምስ ኣተዋ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ህዝበ ውሳነ ብምክያድ፡ ናይ ባዕሉ መራሕቲ ሸይሙ'ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቤተ መንግስቲ ሩስያ ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል፡ እቲ ፕረዚደንት ነተን ዞባታት ኣካል ሩስያ ዝገብር ሰነድ ከቲሙ። ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝዅንን ውሳነ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኤርትራ ጥራይ ክትቃወሞ እንከላ፡ ሩስያ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ሶርያን ቤላሩስን እየን ተመሳሳሊ መርገጺ ወሲደን። ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ እተን መሻርክቲ ሩስያ ዝበሃላ ኢትዮጵያ፡ ማሊ፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሱዳን፡ ኡጋንዳን ዚምባብወን ዝርከብአን 19 ሃገራት ድምጸን ዓቂበን እየን። ካብዘን ድምጸን ዝዓቀባ ሃገራት እተን ሰለስተ፡ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ጽልዋ ንምሕያል ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ዝበጽሐን ሃገራት እየን። ላቭሮቭ፡ ናብ ኢትዮጵያ፡ ግብጺ፡ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐን ኡጋንዳን ዑደት ገይሩ ነይሩ። ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝጸንሓሉ ኣጋጣሚ፡ ንቅልውላው ዋጋታት መግቢን ነዳድን ዓለም ቀንዲ ተሓተትቲ ምዕራባውያን ምዃኖም ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cqvw8zqgjjpo"} {"headline":"ሰብ ሞያ ድሮን ኢራን ኣብ ክረሚያ ከም ዝርከቡ ኣሜሪካ ኣፍሊጣ","content":"ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ንእትፍጽሞ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ [ድሮን] ዝሕግዙ ወተሃደራዊ ሰብ ሞያ ኢራን፡ ኣብ ክረሚያ ከም ዘለው ዋይት ሃውስ ኣፍሊጡ። ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ድሕነት ዋይት ሃውስ፡ እቶም ኢራናውያን ሰብ ሞያ፡ ኣሰልጠንትን ወሃብቲ ቴክኖሎጂያዊ ድጋፍን ከም ዝዀኑ’ውን ገሊጹ። ርእሰ ከተማ ኪቭ፡ ብሰኑይ \"ካሚካዜ\" ብዝብሃላ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተሃሪማ ነይራ። እተን ድሮናት ብሩስያ ዝተዋፈራ እኳ እንተዀና፡ ስርሒት ኢራን ምዃነን’ዩ ዝእመን። ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ እተን፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ናይ ምቕራብ ሓላፍነት ዘለዎም ትካላት ንግዲን ውልቀሰባትን ኢራን እገዳ ከም ዝገበረት ኣፍሊጣ። ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ድሕነት ዋይት ሃውስ ጆን ኪርቢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ \"ወተሃደራዊ ኣባላት ኢራን ኣብ መሬት ክረሚያ ከም ዘለውን ኣብዚ ስርሒታት ንሩስያ ከም ዝሓገዙን ገምጊምና ኢና\" ኢሉ። \"ብተዛማዲ ውሑድ ቁጽሪ\" ዝበሎም ኢራናውያን ቴክኒካዊ ደገፍ ይህቡ ከም ዘለዉን ሩስያውያን ድማ ነተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ የብርሩወን ከም ዘለዉን ገሊጹ። ኪርቢ፡ \"ሕጂ፡ ቴህራን ብቐጥታ ኣብ ባይታ ተሳታፊት ኰይና ኣላ፤ ተሳትፎኣ ድማ ኣብ ዩክሬይን ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቕርጺ ስቪልን ስቪላውያንን ጽልዋ ዘለዎም ኣጽዋራት ብምቕራብ ዝግለጽ’ዩ\" ኢሉ። ኣሜሪካ፡ ኢራን ንሩስያ ደጊፋ ኣንጻር ህዝቢ ዩክረይን እተቕርቦም ዘላ ኣጽዋራት ንምቅላዕ፡ ንምክልኻልን ንምዕጋትን \"ኩሉ መገዲ ክትክተል እያ\" ክብል ወሲኹ ገሊጹ። ብሰኑይ፡ ኣብ ጥቕሚ ዝውዓላ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ስርሒት ኢራን ሻሄድ-136 ከም ዝዀና ዩክሬይን ገሊጻ ነይራ። እዚአን፡ “ካሚካዜ” ዝብሃላ ኰይነን፡ እቲ ድሮን መጥቃዕቲ ክፍጸም እንከሎ ሓቢሩ ዝቃጸል እዩ። እዘን ድሮናት፡ ካሚካዜ ዝብል ሽም ዝተዋህበን፡ ብሽም ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ልኡኽ ኣጥፊእኻ ምጥፋእ ዝፍጽሙ ዝነበሩ ኣብረርቲ ጃፓን እዩ። ሩስያ፡ ካብ ቀረባ መዓልታት ንነጆ ኣገደስቲ ትሕተ ቕርጺ ዩክረይን ንምህራም ነዘን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ክትጥቀም እንከላ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰኑይ ጀሚሩ ሓደ ሲሶ መደብር መመንጨዊ ጸዓት ዩክሬይን ኣዕኒያ እያ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ትማሊ ሓሙስ፡ ኣብ ዩክረይን ንፈለማ እዋን ኣብ ኣጠቓቕማ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ገደብ ተኣታትዩ። ሩስያ፡ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን መጥቃዕቲ ንምፍጻም ድሮናት ኢራን ብምጥቃማ፡ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ጀነራላትን ኣጽዋር ዘቕርብ ትካልን ኢራን እገዳ ገይራ እያ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣኒያ ጀምስ ክሌቨርሊ፡ ካብ “ጸያፍ” መጥቃዕታት ሞስኮ ክኸስቡ ዝጽዕሩ “ጐስጐስቲ ውግእ” ክብል ኰኒኑዎም። ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ኢራን፡ ሜጀር ጀነራል መሓመድ ሑሴን ባገሪን ኢንዳስትሪ ኣቪየሽን ሻሄድን [ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዘፍሪ ትካል] ካብ ሞንጐ እቶም እገዳ ዝተገብረሎም’ዮም። ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዜለንስኪ፡ ሩስያ ኣብ ደቡብ ዩክረይን ኣብ ዝርከብ ኣገዳሲ ዲጋ፡ ነተጕቲ ቀቢራ’ያ ክብል ከሲሱ። መመንጨዊ ጸዓት ሃይድሮ ኤሌክትሪክ ካኮቭካ፡ ልዑል ጉድኣት እንተበጺሑዎ፡ 80 ሚኢታዊት ከተማታት ብውሑጅ ከዕለቕልቓ ከም ዝኽእላን፡ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዛፖሪዥያ ድማ ንመዝሓሊ ዝኸውን ማይ ዘይብሉ ክተርፍ ከም ዝኽእልን ዜለንስኪ ገሊጹ። ብተወሳኺ፡ ንክረሚያ ሓዊሱ ንመላእ ደቡባዊ ዩክረይን እውን ቀረብ ማይ ከስእኖ ከም ዝኽእል ተዛሪቡ። ብረቡዕ፡ ሩስያ ነቲ ዲጋ ብምዕናው፡ ዩክረይን ውሕጅ ተጠቒማ ሓይልታት ሩስያ ካብ ዞባ ኼርሶን ንምውጻእ ዝገበረቶ’ዩ ብዝብል ንዩክሬይን ክትኸስስ ትዳሎ ኣላ ዝብሉ ጸብጻባት ወጺኦም ነይሮም። እዚ ዲጋ፡ ካብ ከተማ ኼርሶን 70 ኪሎ ሜትር ንሸነኽ ሰሜን ምብራቕ ርሒቑ ዝርከብ እዩ። ሩስያ፡ ሓይልታት ዩክረይን፡ ነታ ከተማ ክቈጻጸሩዋ ይኽእሉ’ዮም ብዝብል፡ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ሩስያ ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት ዞባ ኼርሰን ዘለው ሲቪላውያን ተግዕዝ ኣላ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4n2l0g78xyo"} {"headline":"ኲናት ዩክረይን፡ ሩስያ ካብቲ ዝተቖጻጸረቶ ዞባ ሰላማውያን ሰባት ክተግዕዝ ምዃና ሓቢራ","content":"እቲ ብሩስያ ዝተሾመ መራሒ ናይታ ግዝኣት ዩክረይን ዝዀነት ደቡባዊት ዞባ ኼርሶን፡ ቭላድሚር ሳልዶ፡ ናብቲ ከባቢ ይግስግሱ ዘለው ሓይልታት ዩክረይን መዓልታዊ መጥቃዕቲ ሮኬት ይፍጽሙ ከም ዘለው ብምግላጽ ሰላማውያን ሰባት ካብቲ ቦታ ክግዕዙ ጸዊዑ። ንሱ፡ \"ንምዝናይን ንትምህርትን\" ናብ ሩስያ ብምኻድ \"ንነብሶም ከድሕኑ\" ተማሕጺኑ። ነዚ ድማ ሓገዝ ሞስኮ ሓቲቱ። ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሩስያ ማራት ኩስኑሊን ድሒሩ ኣብ መንግስታዊ ቴሌቪዥን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ነዚ ጻውዒት ደጊፉዎ። ዩክረይን፡ ንገዛእ ዜጋታታ ዒላማ ትገብር ምህላዋ ንዝገልጽ ክሲ ትነጽጎ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሰራዊት ዩክረይን ንገለ ከባቢታት ሰሜናዊ ምዕራብ ኼርሶን ዳግማይ ብምሓዝ፡ ናብ ርእሰ ከተማ እታ ዞባ ዝዀነት ከተማ ኼርሶን ቀሪቡ ኣሎ። ፍሉይ ሓላፍነት ደቡባዊ ሩስያን ክረሚያን ዘለዎ ኩስኑሊን፡ \"መንግስቲ፡ ነበርቲ ዞባ [ኼርሶን] ናብ ካልኦት ዞባታት እታ ሃገር ንክወጽኡ ሓገዝ ንምውዳብ ወሲኑ ኣሎ። ንኹሉ ድማ፡ ናጻ መንበርን ኣገዳሲ ነገርን ክንህብ ኢና\" ኢሉ። ቀዳሞት ካብታ ዞባ ዝወጽኡ ሰባት፡ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዞባ ግዝኣት ሩስያ ዝዀነት ሮስቶቭ ከም ዝኣትዉ ኣመሓዳሪ እታ ክልል ቫሲሊ ጎሉቤቭ ንማዕከን ዜና ሩስያ ታስ ሓቢሩ። \"ክልል ሮስቶቭ ንኹሉ ካብ ዞባ ኬርሶን ክመጽእ ዝደሊ ሰብ ክቕበልን ከአንግድን እዩ\" ክብል ወሲኹ ገሊጹ። ኣብቲ ውግእ፡ ዩክረይን፡ ካብ ኣሜሪካ ዝረኸበቶ ስርዓታት ሮኬት ሂማርስ ብግቡእ ክትጥቀመሉ ጸኒሓ እያ። ሓይልታት ዩክረይን፡ ኣብ ትሕቲ ሩስያ ንዝርከቡ ወሰንቲ ወተሃደራዊ ቦታታት ዒላማ ብምግባር ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ሩባ ድኒፐር ንዝርከቡ ዝበዝሑ ጎበጥቲ ሓይልታት ከም ዝቖርጹ ኣጠንቂቘም ኣለዉ። ኬርሶን፡ ወራር ሞስኮ ብ24 ለካቲት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ብሓይልታት ሩስያ ዝተታሕዘ እንኮ ርእሰ ከተማ ዞባ ኬርሶን እያ። ወተሃደራዊ ሓይሊ ዩክረይን፡ ኣብቲ ምስ ክረሚያ ዝዳወብ ቁልፊ ዞባ - ኣብ 2014 ብሞስኮ ዝተጐብጠ ደቡባዊ ሓውሲ ደሴት ዩክረይን - ዝገብሮ ዘሎ ገስጋስ ኣጠናኺሩ ቀጺሉ ኣሎ። ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ንኣርባዕተ ዞባታት ዩክረይን [ብደቡብ ኼርሶንን ዛፖሪዚዝያን፣ ብምብራቕ ድማ ዶኔስቴክን ሉሃንስክን] ከም ዝጐበጠ ወግዓዊ ገይሩ’ዩ። ዩክረይንን ሃገራት ምዕራብን እዚ ስጉምቲ ሕጋዊ ስልጣን የብሉን ብምባል ኰኒነን። ሕጂ’ውን እንተዀነ፡ ሩስያ ኣብዘን ዞባታት ሙሉእ ምቁጽጻር የብላን። ብሮቡዕ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጐበጣ ሩስያ ንምኹናን ኣብ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ኣኼባ፡ ነቲ ስጉምቲ ብትሪ ኰኒኑ። ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ ድማ፡ 143 ሃገራት ዝደገፍኦ ኰይነን፡ ቻይናን ህንድን ዝርከብአን 35 ሃገራት ድምጸን ዓቂበን። ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብቲ ሩስያ ንኣርባዕተ ዞባታት ዩክረይን ምጕባጣ ንምዅናን ዝወዓለ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ድምጸን ካብ ሞንጐ ዝዓቀባ ሃገራት እየን። ሩስያ፣ ቤላሩስ፣ ሰሜን ከርያን ኒካራጓን ድማ፡ ነቲ ውሳነ ነጺገንኦ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cjme20y87k2o"} {"headline":"ዩክረይን ኣብ ጭፍራ መራኽብ ጸሊም ባሕሪ 'ሰፊሕ' መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ፈጺማ","content":"ዩክረይን ኣብ ወደባዊት ከተማ ክሪሚያ ሰቫስቶፖል፡ ኣብ ልዕሊ ጭፍራ መራኽብ ጸሊም ባሕሪ ብዝፈጸመቶ \"ሰፊሕ\" መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሓንቲ መርከብ ኲናት ከምዝተጎድአት ሩስያ ገሊጻ። ኣብቲ መጥቃዕቲ 9 ሰብኣልቦ ነፈርቲ ከምዝተዋፈራ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሓቢሩ። ዩክረይን ግን ርእይቶ ኣይሃበትን። ሩስያ፡ ዝኾነ መርትዖ ከየቕረበት፡ ወተሃደራት ብሪጣንያ ኣብቲ ብቀዳም ዝተፈጸመ መጥቃዕትን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መስመራት ጋዝ ዘጋጠመ ምፍንጃርን፡ ኢድ ከምዘለዎም ከሲሳ። ሚኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ሩስያ \"ናይ ሓሶት ቅያ ትዝርግሕ ኣላ\" ኢሉ። እዚ ናይ ትማሊ ቀዳም መጥቃዕቲ፡ ወተሃደራት ዩክረይን፡ ብ24 ለካቲት ወራር ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብሩስያ ዝተጎበጠ መሬት ዳግማይ ብዓወት ኣብዝሕዙሉ ዘለዉ እዋን እዩ ተፈጺሙ። ሩስያ ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርፂ ዩክረይን ብፍላይ ድማ ኣብ መስመር ፀዓት እታ ሃገር ሰፊሕ መጥቃዕቲ ብምፍፃም ምላሽ ሂባ። ንፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣዝያ ምልክታዊ ዝኾነት ክሪሚያ ኣብ 2014 ብሩስያ ዝተጎብጠት እያ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ኣብታ ሰራዊት ሩስያ ሰፊሕ ህላወ ዝሃነጸላ ሓውሲ ደሴት፡ ሓያሎ መጥቃዕትታት ተፈጺሙ እዩ። ሰቫስቶፖል ኣብቲ ዞባ ዝዓበየት ከተማ ኮይና፡ መዕረፊ ጭፍራ መራኽብ ጸሊም ባሕሪ ሩስያ እያ። ብሩስያ ዝተመዘዘ ኣመሓዳሪ እታ ከተማ ሚካኤል ራዝቮዛየቭ፡ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ካብ ወርሒ ለካቲት ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ ካብ ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት እቲ \"ዝሰፍሐ\" ዝበሎ መጥቃዕቲ ንድሕሪት ከምዝመለሱ ገሊጹ። ኩለን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተሃሪመን ከምዝወደቓን ዝኾነ \"ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጺ\" ከምዘይተጎድአን ሓቢሩ። ብውሕዱ ሓንቲ መርከብ ንእሽቶ ጉድኣት ከምዘጋጠማ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ይገልጽ። መንግስቲ ዩክረይን ኣብ ክሪሚያ ብዘለዉ ሰበስልጣን ሩስያ ኣብ ዝቐርብ ክሲ ሳሕቲ እዩ ርእይቶ ዝህብ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን ግን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብታ ሓውሲ ደሴት ብዘጋጥም ፍጻመታት ሓጎሶም ይገልጹ’ዮም። ዩክረይን፡ ንክሪምያ ሓዊሱ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ሩስያ ዝርከብ ኩሉ መሬት ከምእተምልስ ቃል ኣትያ እያ። ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ብዘይ ዝኾነ መርትዖ፡ ክኢላታት ሓይሊ ባሕሪ ብሪጣንያ ነቲ ቀዳም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንምድላው ንሓይልታት ዩክረይን ምሕጋዞም ይኸስስ። ብተወሳኺ፡ እቲ ኣሃዱ ብሪጣንያ \"ንሻምብቆታት ጋዝ ኖርድ ስትሪም 1ን ኖርድ ስትሪም 2ን ንምፍንጃር፡ ብ 26 መስከረም ኣብ ባሕሪ ባልቲክ ንዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ውዲት፡ ምውዳብን ምትግባርን ተሳቲፉ’ዩ\" ይብል። ሚኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ \"ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ነቲ ኣዕናዊ ኣተሓሕዛ እቲ ዘይሕጋዊ ወራር ዩክረይን ንምንካይ፡ ቅያዊ ደረጃ ዘለዎም ናይ ሓሶት ክስታት ይዝርግሕ ኣሎ\" ኢሉ። ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ሩስያ ኣብቲ ሰበስልጣን ኣሜሪካን ዩክረይንን ወፍሪ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኢሎም ዝገልጽዎ ወፍሪ ተዋፊራ ኣላ። ንኣብነት፡ ኪቭ ራድዮኣክቲቭ ሕማቕ ቦምባ፡ ወይ’ውን ስነ-ህይወታዊ ጣንጡታት ክትጥቀም ትዳሎ ኣላ ዝብል መርትዖ ዘይብሉ ክሲታት ኣቕሪባ እያ። ሩስያ ብተወሳኺ፡ እተን ቀዳም ንግሆ ዒላማ ዝተገበራ መራኽብ፡ ኣካል ናይቲ ፍርያት ሕርሻ ካብ ወደባት ዩክሬን ናብ ወጻኢ ንምልኣኽ ዝካየድ ዘሎ ኣህጉራዊ ተበግሶ ኣብ ምርግጋጽ ዝሳተፋ ከምዝኾና ገሊጻ'ላ። እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራትን ቱርክን ዝተኻየደ ስምምዕ፡ ዩክረይን ብሩስያ ምስተወረረት ተዓጊቱ ዝነበረ ሰደድ እኽሊ ጸሊም ባሕሪ ዳግማይ ክትጅምር ኣኽኢልዋ’ዩ። እዚ ብውልቂ ብዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተፈጸመ ስምምዕ ኮይኑ፡ ንዓለማዊ ቅልውላው መግቢ ንምቅላል ዝሓገዘ ዓቢ ዲፕሎማስያዊ ዓወት ተባሂሉ እዩ። ሩስያ ግን ናይ ገዛእ ርእሳ ሰደድ ከምዝተጓተተ ጥርዓን ክተስምዕ ጸኒሓ እያ። ነቲ ስምምዕ’ውን ከየትሕድሶ ከምትኽእል ሓሳብ ኣቕሪባ ነይራ። ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ዩክረይን፡ ሩስያ ኮነ ኢላ መራኽብ ከይሓልፋ ብምድንጓይ፡ ናይ ልዕሊ 170 መራኽብ ሪጋ ፈጢራ ክትብል ከምዝኸሰሰት ይዝከር። ጭፍራ መራኽብ ጸሊም ባሕሪ ሩስያ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት ብሓይልታት ዩክረይን ዒላማ ክግበር እንከሎ እታ ክሩዘር ሞስኮቫ ዝተባሃለት ፍልጥቲ መርከብ ምጥሓላ ይዝከር። እታ 510 ሰራሕተኛታት ዝነበራ ሚሳይል ክሩዘር ሩስያ ምጥሓላ ዓቢ ናይ ወተሃደራው ዓወት ምልክት ነይሩ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3gvw32ng55o"} {"headline":"ዋጋ ነዳዲ ስለምንታይ ይውስኽን ይጐድልን? ዋጋኡ ዝትምንከ መን'ዩ?","content":"ዝሓለፈ ግንቦት፡ ዋጋ ነዳዲ ንኽንኪ ዝቐርብ ዝነበረ ጻውዒት ስዒቡ፡ ቀንዲ ለኣኽቲ ነዳዲ ዝዀና ሃገራት ተኣኪበን ነይረን። ኣብዚ እዋን ዘሎ ዋጋ ነዳዲ ዓለም፡ ዝያዳ እቲ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመታት ዝነበረ’ዩ። ነዳዲ ካብ ወጻኢ ዓዲገን ዝጥቀማ ሃገራት፡ እተን ነዳዲ ኣፍርየን ዝልእካ ሃገራት [ኦፔክ+] ምህርቲ ነዳዲ ንኽውስኻ ምሕጽንታአን ኣቕሪበን እየን። እንተዀነ፡ እተን ለኣኽቲ ሃገራት ነዚ ዝሰምዓ ኣይመስላን። ብኣንጻሩ፡ ኣብ መዓልቲ ዝፈሪ ነዳዲ ብኽልተ ሚልዮን በርሚል ንምንካይ እየን ተሰማሚዐን። ሩስያ እትርከበን ኣባል ሃገራት ኦፔክ ፕላስ፡ ዋጋ ነዳዲ ንክውስኽ ስጕምቲ ይወስዳ ኣለዋ። ዋጋ ነዳዲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ ምንካይ ዝንባለ ኣርእዩ'ኳ እንተነበረ፡ ድሕሪ ወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ግን ወሲኹ። ኦፔክ ፕላስ፡ ቀንዲ ለኣኽቲ ነዳዲ ዝዀና 23 ሃገራት ብኣባልነት ዝሓቘፈ ማሕበር እዩ። እዘን ሃገራት፡ 'ናብ ዕዳጋ ዓለም ክንደይ ዝኣክል ነዳዲ ንሽጥ?' ኢለን ብቐጻሊ ይራኸባ። ኣብ ውሽጢ እዚ ማሕበር ካብ ዘለዋ ሃገራት፡ እተን 13 ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን እየን። ኦፔክ፡ ብ1960ታት ክምስረት እንከሎ፡ ቀረብን ዋጋን ነዳዲ ቅጥዒ ክሕዝ ንምግባር ዝዓለመ ነይሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣባል ሃገራት ኦፔክ፡ 30 ሚእታዊት ቀረብ ነዳዲ ዓለም የፍርያ። ስዑዲ ዓረብ እታ ዝዓበየት ኣፍራዪት ነዳዲ እቲ ማሕበር ኰይና፡ መዓልታዊ ልዕሊ 10 ሚልዮን በርሚል ተፍሪ። ብ2016፡ ዋጋ ነዳዲ ኣዝዩ ትሑት እናሃለወ፡ ኦፔክ ካልኦት ዓሰርተ ኣፍረይቲ ነዳዲ ዝዀና ሃገራት ብምውሳኽ ኦፔክ ፕላስ ኰይኑ። እዘን ሓደስቲ ኣባል ሃገራት፡ ሩስያ እትርከበን ኰይነን፡ መዓልታዊ ልዕሊ 10 ሚልዮን ነዳዲ የፍርያ። እዘን ሃገራት ብሓባር፡ ኣስታት 40 ሚእታዊት ዘይተጻረየ ነዳዲ ዓለም የፍርያ። ኣብ ኢንስቲትዩት ኢነርጂ እትሰርሕ ኬት ዶሪን፡ “ኦፔክ ፕላስ፡ ዕዳጋ ንምርግጋእ ቀረብን ድልየትን ክመጣጠን ይገብር’ዩ። ጠለብ ነዳዲ ክንኪ እንከሎ ድማ፡ ቀረብ ክውሕድ ብምግባር ዋጋ ይውስኽ፡” ትብል። እቲ ማሕበር፡ ብተወሳኺ ዝያዳ ነዳዲ ናብ ዕዳጋ ብምቕራብ ዋጋ ክንኪ ክገብር ይኽእል እዩ። ብ2020፡ ኣባል ሃገራት ኦፔክ+ ኣብ ቬና ካብ ዝራኸባ ንደሓር፡ ካብ ነሓሰ 2022 ጀሚሩ ምህርቲ ነዳዲ ኣብ መዓልቲ ብኽልተ ሚልዮን በርሚል ብምንካይ ትሕቲ 42 ሚልዮን በርሚል ንክኸውን ተሰማሚዐን እየን። እዚ ምንካይ ምህርቲ፡ ካብ ዝመጽእ ሕዳር ኣትሒዙ ተግባራዊ ዝኸውን ኰይኑ፡ እዚ ምንካይ ምህርቲ ክልተ ሚእታዊት ዓለምለኻዊ ቀረብ ዝሕዝን ትጽቢት ካብ ዝተገብሮ ንላዕልን እዩ። እዚ ድማ፡ ኣባል ሃገራት ኦፔክ ፕላስ ካብ 2020 ንደሓር ንፈለማ እዋን ዝገበራኦ ዝለዓለ ምንካይ ምህርቲ እዩ። ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝተኸሰተሉ እዋን፡ ምህርቲ ነዳዲ ኣብ መዓልቲ ብልዕሊ ትሸዓተ ሚልዮን በርሚል ኣብ መዓልቲ ንምንካይ ተሓሲቡ ነይሩ። እዚ ድማ፡ እቲ ኣብ ሰነ ካብ 122 ዶላር ናብ 90 ዶላር ወሪዱ ዝነበረ ዋጋ ነዳዲ ሓፍ ንምባል ዝዓለመ እዩ። እንተዀነ፡ ምህርቲ ነዳዲ ንምንካይ ዝተገብረ ውሳነ ወግዓዊ ምስ ኰነ መሊሱ ዋጋ ነዳዲ ወሲኹ። ምውሳኽ ዋጋ ነዳዲ ድማ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝቕባበ ዋጋ ኣስዒቡ ኣሎ። ኣሜሪካ፡ ኦፔክ ፕላስ ምህርቲ ነዳዲ ንኸይንኪ ሓቲታ ኣላ። ዋጋ ነዳዲ እንተጐዲሉ እቶት ሩስያ ይንኪ ኣሎ ማለት እዩ። ዋይት ሃውስ፡ እቲ ውሳነ “ናይ ነዊሕ ግዜ ኵነታት ዘየማእከለ’ዩ” ክብል ገሊጽዎ። ዝሓለፈ ሓምለ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ፡ ንወራሲ ዓራት ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ብምርካብ ስዑድያ ምህርቲ ነዳዲ ንኽትውስኽ ሓቲቱ ኣይሰረመሉን። ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ብሪጣንያ ቦሪሰን ጆንሰን’ውን፡ ንስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ተመሳሳሊ ሕቶ ኣቕሪቡለን፤ ግን ኣይሰመረን። ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክለዓል እንከሎ ብዙሓት ሃገራት ዕጽዋ ኣዊጀን። ዘይተጻረየ ነዳዲ ክኣ ዓዳጊ ስኢኑ ዋጋኡ ጐዲሉ። “ኣፍረይቲ ነዳዲ፡ ምህርተን ንምሻጥ ንዓደግቲ ገንዘብ ይኸፍላ ነይረን። ኣፍረይቲ ነዳዲ ዝእክብሉ ቦታ’ውን ስኢኖም ነይሮም” ትብል ኬት። ድሕሪኡ፡ ዋጋ ነዳዲ ክብ ንኽብል ኣባል ሃገራት ኦፔክ ፕላስ ምህርቲ ነዳዲ ኣብ መዓልቲ ብዓሰርተ ሚልዮን በርሚል ንኽንኪ ተሰማሚዐን። ካብኡ ንደሓር፡ ጠለብ ክውስኽ ስለ ዝጀመረ እቲ ማሕበር መጠን ፍርያት እውን ቀስ ብቐስ ክውስኽ ገይሩ። ሩስያ ንዩክረይን ምስ ወረረት ግን፡ ዋጋ ዘይተጻረየ ነዳዲ ንሓደ በርሚል ልዕሊ 100 ዶላር ኰይኑ። ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተነብሩ እገዳታት፡ ሕጽረት ቀረብ ነዳዲ ሩስያ ከስዕቡ’ዮም ዝብል ስግኣት ኣሕዲሮም። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ እቲ ዋጋ ወሪዱ ብምንባሩ፡ ኦፔክ+ ምህርቲ ከጕድል’ዩ ዝብል ግምታት ኣስዒቡ ነይሩ። ሩስያ ንዩክረይን ምስ ወረረት፡ ብዙሓት ሃገራት ውሑድ ነዳዲ ሩስያ እየን ዓዲገን። ብሰንኪ'ዚ ዋጋ ነዳዲ ሩስያ ክጐድል ጀሚሩ። ኣብ ሓደ እዋን፡ ዘይተጻረየ ነዳዲ ሩስያ ንበርሚል ብልዕሊ 30 ዶላር ተሸይጡ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ መስከረም ክኣ፡ ናብ ትሕቲ 20 ዶላር ወሪዱ። ህንድን ቻይናን፡ ካብተን ኣብ ልዕሊ ሩስያ እገዳታት ዝገበራ ሃገራት ምዕራብ ብዝተፈለየ ልዕሊ ፍርቂ ምህርቲ ነዳዲ ሩስያ ይዕድጋ ኣለዋ። በዚ መሰረት፡ ሩስያ ንስዑዲ ዓረብ በሊጻ፡ ንቻይና እታ ዝዓበየ ነዳዲ እተቕርብ ዘላ ሃገር እያ። ኣብ መጋቢት 2022፡ ቻይናን ህንድን ካብ ሩስያ ዝዓደጋኦ ነዳዲ ካብቲ 27 ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ዝዓደጋኦ ይዛይድ። ሕብረት ኣውሮጳ ድማ፡ ካብ ሓሙሽተ ታሕሳስ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ነዳዲ ሩስያ እገዳ ክገብር መደብ ኣለዎ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw573yzw9gxo"} {"headline":"ኢለን መስክ ዝህቦ ኣገልግሎት ኢንተርነት ስለምንታይ'ዩ ኣገዳሲ ኰይኑ?","content":"ኢለን መስክ፡ ንዩክረይን ዝህቦ ዘሎ ኣገልግሎት ኢንተርነት ከቋርጾ ምዃኑ ገሊጹ እኳ እንተነበረ፡ እቲ ኣገልግሎት ከም ዝቕጽል ኣፍሊጡ ኣሎ። እዚ ኣብ ሳተላይት ዝተሞርኰዘ ኢንተርነት፡ ንሓይልታትን መንግስትን ዩክረይን ኣዝዩ ኣገዳሲ ኰይኑ እዩ። ስታርሊንክ፡ ብዓበይቲ ሳተላይታት ኣቢሉ ኣገልግሎታት ኢንተርነት ናይ ምሃብ መደብ እዩ። ቀንዲ ዕላማኡ፡ ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ከባቢታት እዛ እንነብራ ዘለና ምድሪ ዝነብሩ ሰባት ዝለዓለ ፍጥነት ዘለዎ ኢንተርነት ከም ዝረኽቡ ምግባር እዩ። ሳተላይታት ስታርሊንክ፡ ካብ ምህዋር ቅሩብ ትሕት ኢሎም ኣብ ጥቓ መሬት ዝተቐመጡ ኰይኖም፡ እዚ ኣብ ሞንጐ እቶም ሳተላይታትን መሬትን ዘሎ ርክብ ፍጥነት ክህልዎ ንምግባር ዝዓለመ እዩ። ስታርሊንክ፡ ካብ 2018 ጀሚሩ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሳተላይታት ከም ዘቐመጠ ይንገር። ኣብ ቀረባ እዋን ካብ 10 ሽሕ ክሳብ 12 ሽሕ ሳተላይታት ክጥቀም ከም ዝኽእል ኤዲቶሪያል ዳይሬክተር ድረ ገጽ ቴክኖሎጂ ፖኬት-ሊንት ክሪስ ሆል ይዛረብ። “ሳተላይታት ብምጥቃም፡ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ኣብ ዘለው በረኻታትን እምባታትን ኢንተርነት ንምርካብ ዘሎ ጸገም ምፍታሕ ይክኣል እዩ። ነዞም ከባቢታት ንምብጻሕ ካልኦት ትሕተ ቕርጺ ናይ ምህናጽ ድኻም’ውን የወግድ” ኢሉ። ሓይልታት ሩስያ ኣብ ዩክረይን እናደፍኡ ምስ መጽኡ፡ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣጥፊኦም፣ ማሕበራዊ ሚድያ'ውን ክዓጽውዎ ፈቲኖም። ወራር ሩስያ ምስ ተጀመረ፡ ኢሎን መስክ ብቐጥታ'ዩ ስታርሊንክ ኣብ ዩክረይን ከም ዝሰርሕ ገይሩ። ኣስታት 20 ሽሕ ሸሓነታትን ራውተራትን ስታርሊንክ ድማ ናብታ ሃገር ተላኢኾም። ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዩክረይን ሚካይሎ ፌዶሮቭ፡ ድሕሪ መጥቃዕታት ሚሳይል ሩስያ ስታርሊንክ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ዳግም ክምለሱ ኣብ ምግባር ሓጋዚ ተራ ከም ዝነበሮ ይዛረብ። \"ልዕሊ 100 ሚሳይላት ትሕተ ቕርጺ ጽዓትን ኮምዩኒኬሽንን ኣጥቂዖም። ስታርሊንክ ግን፡ ኣብ ኣገደስቲ ከባቢታት ርክባት ቀልጢፉ ክምለስ ኣኽኢሉ'ዩ ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። ብተወሳኺ፡ ዩክረይን ንስታርሊንክ ኣብ ዓውደ ውግኣት ትጥቀመሉ ኣላ እያ። “ስታርሊንክ፡ መንግስታውን ህዝባውን ኣገልግሎታት ክቕጽሉ ገይሩ’ዩ። ሩስያውያን ከኣ ነዚ ከዐንቅፍሉ ዝኽእሉ መገዲ ኣይረኸቡን” ይብል ክሪስ ሆል። እዚ፡ ኣብ ዓውደ ውግኣት’ውን ውዒሉ’ዩ። ተመራማሪት መጽናዕታት ምክልኻል ኪንግስ ኮሌጅ ለንደን ማሪና ሚሮን፡ ንኣብነት፡ \"ሓይልታት ዩክረይን ኣብ ሞንጐ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈትን ኣብ ዓውደ ውግኣት ዘለው ወተሃደራትን ንምርኻብ ይጥቀሙሉ ኣለው\" ትብል። ወሲኻ፡ \"እቲ መስመራት ልክዕ ከም ማዕበል ራድዮ ክትዕፍኖ ኣይትኽእልን። ንኸተዳልዎ’ውን 15 ደቒቕ ጥራይ’ዩ ዝወስድ” ኢላ። ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ኢለን መስክ ዩክረይን፡ ክሬሚያ ንሩስያ ክትገድፈላ፡ ኣብተን ብሓይልታት ሩስያ ዝተትሓዛ ከባቢታት ድማ መረጻ ክካየድ ከተፍቅድ ኣለዋ ኢሉ። ዩክሬናዊ ኣምባሳደር ክኣ፡ ናይ ጸርፊ ቃላት ተጠቂሙ መሊሱሉ። መስክ ነዚ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ካብ ወራር ሩስያ ኣትሒዙ ንዩክረይን ክህቦ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ስታርሊንክ ከምኡ’ውን ዓፈና ሩስያ ንምክልኻል 80 ሚሊዮን ዶላር ወጻኢ ከም ዝገበረሉ ብምግላጽ፡ ድሕሪ ሕጂ ነዚ ዘድሊ ወጻኢታት ኣይኸፍልን ኢሉ። ድሕሪኡ ክኣ፡ “ዋላ’ውን ስታርሊንክ ብዙሕ ገንዘብ ይስእን እንተሃለወን ካልኦት ኩባንያታት ቢሊዮናት ዶላራት ከፈልቲ ግብሪ ይረኽቡ እንተሃለው፡ ንመንግስቲ ዩክረይን ብናጻ ምሕጋዝ ክንቅጽል ኢና” ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። ኣብዚ እዋን፡ ስታርሊንክ ኣብ 40 ሃገራት ንዝርከቡ ሰብ ሃብትን መንበሪ ኣባይትን ኣገልግሎት ይህብ። እዘን ሃገራት፡ መብዛሕትአን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፣ ኤውሮጳን ዞባ ኣውስትራሊዢያን ዝርከባ እየን። ይኹን’ምበር፡ ምስቲ ስሩዕ ኣገልግሎት ክነጻጸር እንከሎ፡ ስታርሊንክ ክቡር እዩ። እቲ፡ ምስ ሳተላይት ንምርካብ ዘድሊ ሸሓኒ ዋጋኡ 599 ዶላር ኰይኑ፡ ወርሓዊ 110 ዶላር'ዩ ዝኸፈሎ። ስታርሊንክ፡ ክሳብ ሕጂ ኣስታት 700 ሽሕ ተጠቀምቲ ከም ዘለውዎ ይገልጽ። “መብዛሕትአን ዝዓበያ ሃገራት፡ ብኢንተርነት ተኣሳሲረን’የን” ዝብል ፕሮፌሰር ኢንስቲትዩት ሕግን ፖሊሲ ህዋን ለንደን ሳይድ ሞስትሻር፡ “ኣታዊታት ስታርሊንክ ኣብ ንእሽቶ ብጽሒት ዕዳጋ ዝተሞርኰሰ’ዩ” ኢሉ። ኣብ ዝቕጽል ዓመት፡ ስታርሊንክ ሸፈንኡ ናብ ኣፍሪቃን ደቡብ ኣሜሪካን፡ ከምኡ’ውን ኤስያ ከስፍሖ መደብ ኣለዎ። ይኹን’ምበር፡ “ዋጋታት ስታርሊንክ ንመብዛሕትኡ ተጠቃሚ ኣፍሪቃ ክቡር ክኸውን ይኽእል’ዩ፤ ግን ክኣ፡ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዝርከቡ ሆስፒታላትን ኣብያተ ትምህርትን ኣብ ምርኻብ ዓብዪ ተራ ክጻወት ይኽእል’ዩ” ክብል ክሪስ ሆል ይዛረብ። ካብ ስታርሊንክ ብተወሳኺ፡ ከም ዋንዌብን ቪሳትን ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት ኢንተርነት ሳተላይት ዝህቡ ትካላት’ውን ኣብ ትሑት ምህዋር መሬት ኣሽሓት ሳተላይታት የቐምጡ ኣለው። ሳይድ፡ እዚ ናብ ጸገም ከምርሕ እዩ ይብል። ኣብ መንጐ \"ምርጻም ከጋጥም ስለ ዝኽእል፡ ድሕነት ህዋ ዝተሓተ’ዩ ዝገብሮ። ሳተላይታት ካልኦት ሳተላይታት ብምህራም ስብርባራት ክፈጥሩ ይኽእሉ’ዮም። እዚኦም ድማ ኣብ እዋን በረራ ልዑል ፍጥነት ክህሉ እንከሎ ጕድኣት ከውርዱ ይኽእሉ” ኢሉ። ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ጥቓ ማእከል ህዋ ቻይና ዝርከቦም ብርክት ዝበሉ ሳተላይታት ስታርሊንክ ተራጺሞም’ዮም። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፖርትስማውዝ ኣካያዲ ስራሕ ፕሮጀክታት ህዋ ዶክተር ሉሲንዳ ኪንግ “ብርክት ዝበሉ ስብርባራት እንተሃልዮም፡ ንቐጻሊ ትሑት ምህዋር መሬት ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ክገብሩዎ እዮም። ብተወሳኺ፡ ካብ ትሑት ምህዋር መሬት ሓሊፍና ናብቶም ናይ ቴሌኮምን ሓበሬታን ሳተላይታት ተተኺልሉ ዘሎ ልዑል ምህዋር ክንከይድ ኣይንኽእልን\" ትብል. ብኻልእ ወገን፡ ሳተላይታት ስታርሊንክ ንተመራመርቲ ከዋኽብቲ [ኣስትሮነመራት] ጸገማት ይፈጥራሎም ኣለዋ። ጸሓይ ክትወጽእን ክትዓርብን እንከላ፡ ጸሓይ ኣብ ኣኽናፎም ስለ እተብርህ ብዓይኒ ክርኣዩ ይኽእሉ’ዮም። እዚ ኸኣ፡ ኣብ ምስልታት ቴሌስኮፕ ናይ ብርሃን ሕንጻጽ ብምፍጣር ንምስሊ ከዋኽብትን ፕላኔታትን ይሽፍኖ። ስታርሊንክ፡ ብርሃን ኣብ ሰማይ ዝርከባ ሳተላይታቱ ውሑድ ድምቀት ከም ዝህልወን ብምግባር፡ ድምቀት ሳተላይታቱ ንምንካይ ይጽዕር ከም ዘሎ ይገልጽ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crgx6008kxjo"} {"headline":"ልደት ፑቲን፡ ነዚ ወዲ 70 ዓመት ዝቐረጻ ሸውዓተ ኣገደስቲ ህሞታት","content":"ቭላድሚር ፑቲን ሎሚ ዓርቢ፡ 70 ዓመት ገይሩ ኣሎ። እዚ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወራር ዝኸፈተ መራሒ፡ ከመይ ኢሉ’ዩ ካብ ዓለም ዝተገለለ ሰብ ኰይኑ ዘሎ? ጸሓፊ፡ 'We Need To Talk About Putin' ከምኡ'ውን 'The forthcoming Putin's Wars' ዝብላ መጽሓፍትን መምህርን ፕሮፌሰር ማርክ ጋሎቲ፡ ፑቲን ኣብ ህይወቱ ንኣተሓሳስባኡ ዝቐረጻ ሸውዓተ ኣገደስቲ ህሞታት ኣለዋ ይብል። እዚአን፡ ነቲ ቀጻሊ ካብ ምዕራብ ዘጋጥሞ ፖለቲካዊ ተነጽሎ ዘብርሃ እየን። ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ኣብ እዋን ናይ 872 መዓልታት ዕጽዋ ኣብ ለኒንጋርድ እዩ ተወሊዱ። ኣብ እዋን ቁልዕነቱ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ እከይን ደላዪ ባእስን’ዩ ነይሩ ክብል ዝዝክር ናይ ቀረባ መሓዝኡ “ስለ ዘይፈርሕ፡ ምስ ዝዀነ ሰብ ክብኣስ ይኽእል’ዩ” ይብል። ወዲኒታት ኣብ ዝበዝሕሉ ጐደናታት እታ ከተማ ዝዓበየ ፑቲን፡ ወዲ 12 ዓመት ምስ ኰነ ናይ መጀመርታ ስልጠና 'ሳምቦ' ወሲዱ። ሳምቦ፡ ማርሻል ኣርት ሩስያ እዩ። ቀጺሉ ጁዶ ሰልጢኑ። ውፉይን ስነ ምግባሩ ዝሓለወን ነይሩ። ወዲ 18 ዓመት ምስ ኰነ፡ ብጁዶ ጸሊም ቅናት [black belt] ረኺቡ። ኣብ ሃገራዊ ውድድር ጁኒየር ክኣ ሳልሳይ ወጺኡ። ብርግጽ እዚ፡ ካብቲ ግዜ ኣትሒዙ፡ ብጥንቃቐ ዝተመረጸ ኣካል ስብእና macho persona ' ኰይኑ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል እንከሎ፡ ነቲ ኣብ ሓደገኛ ዓለም ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎ ሰብ ክትከውን ኣለካ ዝብል እምነቱ ኣሐዪልዎ’ዩ። ብተወሳኺ፡ ፑቲን ባእሲ ዘይተርፍ እንተዀይኑ “ቀዲምካ ክተጥቅዕ ኣለካ፤ መባእስትኻ ድማ ብእግሩ ደው ከም ዘይብል ጌርካ ኣሕሚምካ ኣጥቅዓዮ” እዩ ዝብል። ሰባት፡ ኣብ ሌኒንጋርድ ናብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ፖለቲካዊ ፖሊስ ኬጂቢ ክኸዱ ኣይመርጹን። ብዙሓት፡ ኣብ እዋን መራሒ ሕብረት ሶቭየት ዝነበረ ስታሊን፡ በቲ ቤትጽሕፈት ኣቢሎም ናብ'ቶም ግዱድ ናይ ጉልበት ስራሕ ይካየደሎም ዝነበሩ ካምፕታት ጉላግ ተሰጋጊሮም እዮም። እዚ ህንጻ፡ ኣብ ሌኒንግራድ እቲ ዝነውሐ ህንጻ ስለ ዝነበረ፡ መብዛሕትኦም “ዓብዪ ገዛ” ኢሎም’ዮም ዝጽውዑዎ። ኣብ ትሕተ-ቤት እቲ ህንጻ ኰይንካ፡ ሰርቢያ ክትርእያ ትኽእል ኢኻ። ፑቲን ግን፡ ወዲ 16 ዓመት እናሃለወ፡ ናብቲ ቀይሕ ምንጻፍ ዝተነጽፎ መቐበሊ ጋሻ ኣትዩ፡ ኣብ ኬጂቢ ከመይ ኢለ’የ ስራሕ ክረክብ ዝኽእል ኢሉ ሓተተ። ሃገራዊ ኣገልግሎት ወዲኡ እንተዀይኑ ወይ ዲግሪ እንተሃልዩዎ ክኣቱ ከም ዝኽእል ተነጊሩዎ። ንሱ ክኣ፡ ኣየናይ’ዩ እቲ ዝበለጸ ዲግሪ ኢሉ ሓቲቱ። ሕጊ ዝብል ምላሽ ምስ ተዋሃቦ፡ ፑቲን ሕጊ ከጽንዕ ቈሪጹ ተላዒሉ፤ ብድሕሪኡ ከኣ ተቖጺሩ። ኬጂቢ ውሕስነትን ዕብየትን ዝረኽበሉ ብምንባሩ፡ ነቲ ናይ ከተማ ጐበዝ ዝነበረ ፑቲን፡ ዝዓበየ ጉጅለ ወዲኒታት እዩ ኮይኑሉ። ግን ክኣ፡ ኣብኡ፡ ዋና ተዋሳኢ ንክኸውን ዕድል ነይሩዎ። ኰተቴ እንከሎ፡ ናይ ስለላ ፊልምታት ይርኢ ከም ዝነበረ ዝዛረብ ፑቲን፡ “ሓደ ሰላሊ፡ ዕጫ ኣሽሓት ክውስን ይኽእል’ዩ” ይብል። ፑቲን፡ ኣብ ኬጂቢ ንፉዕ ሰራሕተኛ እንተነበረ’ውን ዕብየት ኣይረኸበን። ስለዚ፡ ኣብ ድሪስደን ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ ጽሕፈት ኬጂቢ ኦፊሰር ንምዃን ዘኽእሎ ስራሕ ንምርካብ፡ ቋንቋ ጀርመን ክመሃር ወሲኑ። ኣብኡ ክኣ፡ ጽቡቕ ህይወት ክነብር ጀሚሩ። ኣብ ወርሒ ሕዳር 1989 ግን፡ ዞባ ምብራቕ ጀርመን ብዘደንጹ ፍጥነት ክዓኑ ጀሚሩ። ብሓሙሽተ ታሕሳስ ድማ፡ እቲ ኣብ ድሪስደን ዝርከብ ህንጻ ኬጂቪ ብዕስለ ተኸቢቡ። ሽዑ፡ ፑቲን ኣብ ቀረባ ካብ ዝነበረ ሰራዊት ሓገዝ ሓለዋ ሓቲቱ፤ ግን “ካብ ሞስኮ ትእዛዝ እንተዘይመጺኡ ዝዀነ ክንገብር ኣይንኽእልን። ሞስኮ ክኣ ምንም ኣይበለትን” ኢሎምዎ። ፑቲን፡ ሃንደበት እቲ ማእከላይ ሓይሊ ከይፈርስ ስግኣት ሓዲሩዎ። ስለ ዝዀነ ድማ፡ ተቓውሞ ክገጥመካ እንከሎ ቅልጡፍ መልሲ ዘይምሃብ ዝብል ስሕተት መራሒ ሶቭየት ሕብረት ሚካኤል ጎርባቺቭ ፈጺሙ ክድገም የብሉን በለ። ኣብ መወዳእታ፡ ፑቲን ካብ ኬጂቢ ወጺኡ። ከይጸንሐ ግና፡ ኣሳላጢ ከንቲባ ቅዱስ ፒተርስበርግ ናይ ዝነበረ በዓል ስልጣን ኰይኑ ስራሕ ጀሚሩ። ቁጠባ እታ ሃገር ብቕልጡፍ የንቆልቁል ኔሩ። ኣብቲ እዋን፡ ፑቲን ነበርቲ እታ ከተማ ንምሕጋዝ 100 ሚሊዮን ዶላር ዝግመት ነዳድን ሓጺንን ብመግቢ ንምልዋጥ ደሊሉ ብዝብል ተኸሲሱ። ብግብሪ፡ ዋላ ሓደ መግቢ ዝረኣየ ሰብ ኣይነበረን። ግን፡ ብመሰረት ሓደ መርመራ ቀልጢፉ ጠጠው ክብል ስለ ዝተገብረ፡ ፑቲን፣ መሓዙቱን ወዲኒታት እታ ከተማን እቲ ገንዘብ ከም ዝወሰዱዎ ይጥቀስ። ኣብ 1990ታት፡ ፑቲን፡ ፖለቲካዊ ጽልዋ ብገንዘብ ክልወጥ ዝኽእል ነገር ከም ዝዀነን ጭፍራ ገበነኛታት ክኣ ክጠቕምዎ ከምዝኽእሉን ቀልጢፉ ኣስተውዓለ። ኣብ ከባቢኡ ዘለው ካብቲ ዝነበሮም መዝነት ክጥቀሙ እንከለው፡ ንሱ ኸ ድኣ? ፑቲን፡ ኣብ 2000 ዓ.ም ፕረዚደንት ምስ ኰነ፡  ምስ ምዕራብ ጽቡቕ ርክባት ክምስርት እዩ ዝብል ተስፋ ነይሩ። ግን፡ ምዕራብ ንሩስያ ንምድኻምን ንምንጻልን ይጽዕር’ዩ ዘሎ ብምባል ቀልጢፉ ሓራቕ፣ ጸኒሑ ክኣ ዀራዪ ኰይኑ። ፕረዚደንት ጆርጂያ ሚኸይል ሳካሽቪሊ ሃገሩ ናብ ኔቶ ክትጽንበር ምስ ወሰነ፡ ፑቲን እዚ ቀይሕ ካርዲ’ዩ ኢሉ። ጆርጂያ ክኣ፡ ነታ ብሩስያ እትድገፍ ተፈልያ ዝወጽአት ዞባ ደቡብ ኦሴትያ ክትቈጻጸር ትፍትን ኣላ ዝብል ምኽኒት ተጠቒሙ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስድ ጀሚሩ። ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት፡ ወተሃደራት ሩስያ ንሰራዊት ጆርጂያ ሓምሺሾምዎ። ሃገራት ምዕራብ ተቘጢዐን። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ፕረዚደንት ኣሜሪካ ባራክ ኦባማ ምስ ሩስያ ዝነበረ ርክብ “ዳግም ክሕደስ” ከም ዝደሊ ገሊጹ። ነዚ ስዒቡ፡ ሞስኮ ግጥማት ዋንጫ ዓለም 2018 ከተአንግድ ዕድል ተዋሂባ። ኣብ 2011 ኣብ ዝተኻየዱ ባይቶኣዊ መረጻታት ስርቂ ተፈጺሙ እዩ ዝብል እምነት፡ እቲ ተቓውሞ ንክልዓል ምኽንያት ከም ዝዀኑ ይግለጽ። ፑቲን፡ ኣብቲ ኣብ 2012 ዝካየድ ውድድር መረጻ ክወዳደር እየ ምባሉ ግን ነቲ ኩነታት ከም ዘጉሃሃሮ ይእመን። እቲ “ተቓውሞታት ቦሎትናያ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ኣደባባይ ሞስኮ ዝተኻየደ ሰፊሕ ተቓውሞ፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ፑቲን ዝዓበየ ህዝባዊ ተቓውሞ ተገይሩ’ዩ ዝውሰድ። ንሱ ግን፡ እቶም ተቓውሞታት ብኣሜሪካ ዝተወደቡ’ዮም ኢሉ ይኣምን። ነዚ ድማ፡ ብውልቀሰብ ደረጃ ንሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ሂላሪ ክሊንተን ይነቅፍ። ንፑቲን፡ ምዕራብ ብቐጥታ ኣንጻሩ ከም ዝተላዕለት ዘርኢ ብቕላዕ ዝወጽአ ሚስጢር’ዩ ነይሩ። ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዓለም ክላባዕ እንከሎ፡ ፑቲን ብዝተፈለየ መገዲ ንርእሱ ኣግሊሉ። ብኣካል ክረኽቦ ዝደለየ ሰብ ንርእሱ፡ ንኽልተ ሰሙን ተፈልዩ ጸኒሑ፡ ጀርምታት ብዝቐትል ብርሃን ኣልትራቫዮሌትን ኣምካኒ ቫይረሳትን ብዘለዎ ኰሪደር ክሓልፍ ይግደድ ነይሩ። ኣብዚ ግዜ፡ ቑጽሪ ምስ ፑቲን ዝራኸቡ ዝነበሩ መላፍንትን መነሓንሕትን ፑቲን፡ ብዘገርም ኩነታት እናውሓደ መጽኡ። እዚ ንንኣሽቱ ኣማራጺ ርኢይቶታት ዝተቓልዐን ንናይ ባዕሉ ሃገር ዝኣክል ኣጠማምታ ዘለዎን ፑቲን፡ ኩሎም ግምታቱ ልክዕ ከም ዝነበሩ \"ተማሂሩ\"። ኩሎም ዕሙታት ግምታቱ ክኣ ዘርኢ ወራር ዩክሬይን ወሊዶም።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c514p2wq4lzo"} {"headline":"ሩስያ ኣብ ዞባታት ዩክረይን ንዝወጠነቶ ህዝበ-ውሳነ፡ ምዕራባውያን ኰኒነን","content":"ሩስያ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽራ ኣብ ዝርከባ ዞባታት ዩክረይን፡ ህጹጽ ድምጺ ‘ህዝበ ውሳነ’ ንኽካየድ ምሕሳባ ሃገራት ምዕራብ ኰኒነን። እቲ ጻውዒት ምሃብ ድምጺ፡ ኣብ ኣርባዕተ ዞባታት ዩክረይን ብዝርከቡ ብሩስያ ዝድገፉ ሰብ መዚ ዝቐረበ ኰይኑ፡ ነበርቲ ናብ ሩስያ ክጽንበሩ ይደልዩ’ዶ ኣይደልዩን? ብዝብል ከድምጹ’ዮም። ይዅን’ምበር፡ ኣሜሪካ፡ ጀርመንን ፈረንሳን ውጽኢት ከም ዝበለ “ዘሕንኽ” መረጻ ኣይንቕበሎን ኢለን ኣለዋ። ወተሃደራዊ ልፍንቲ ኔቶ ብወገኑ፡ እቶም መደባት ነቲ ኲናት ከም ዘዕርጉዎ ገሊጹ። እዚ ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ንሓሙሽተ መዓልታት ክካየድ ዝተወጠነ መደብ፡ ኣብ ምብራቓዊ ዞባታት ሉሃንስክን ዶነስክን ከምኡ’ውን ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ዝርከባ ዛፖሪዢያን ሄርሶንን ዝሳለጥ ክኸውን እዩ። ኣርባዕቲአን ዞባታት ኣስታት 15 ሚእታዊት ግዝኣት ዩክረይን ዝሽፍና ወይ ክንዲ ሃንጋሪ ከም ዝዀና ጸብጻብ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ይገልጽ። ኣብ መንጐ ኲናት፡ ሕጋውን ፍትሓውን መረጻ ክካየድ’ዩ ዝብል ተበግሶ ግን ሃገራት ምዕራብ ተቓዊመንኦ ኣለዋ። ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ስኮልዝ፡ ንመደባት ሩስያ “ዘሕፍር” ምድማጽ ክብሎም እንከሎ፡ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ብወገኑ “ላግጺ” ዴሞክራሲ ክብል ገሊጹዎ። ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ጃክ ሱሊቫን ድማ፡ “መትከላት ሉኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ዝጥሕሱ’ዮም” ብምባል ኣሜሪካ ፈጺማ ከም ዘይትቕበሎን ኣፍልጦ ከም ዘይትህቦን ተዛሪቡ። ዝዀነ ብምትእትታው ወረርቲ ሓይልታት ዝግበር መደብ ህዝበ-ውሳነ [ረፈረንደም] ዓለምለኻዊ ሕጊ ከም ዝጻባእን ሕጋውነት ከም ዘይብሉን ትካል ድሕነትን ምትሕብባርን ኣውሮጳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። ኣብተን ኣርባዕተ ዞባታት ዩክረይን ዝርከቡ ደገፍቲ ሩስያ ዝዀኑ ኣመሓደርቲ ግን ነቲ ህዝበ-ውሳነ ደጊፎምዎ ኣለው። ኣብ ሉሃንስክ ዝርከብ ሓላፊ ውክልና ምምሕዳር ሩስያ ሊዮኒድ ፓስቺንክ “ሓበራዊ ሕልምናን ሓበራዊ መጻኢናን” እዩ ነይሩ ኢሉ። ምኽትል ሓላፊ ቤት ምኽሪ ድሕነት ሩስያ ዲመትሪ መድቨደቭ ድማ፡ እቲ ዝካየድ ምድማጽ “ታሪኻዊ ፍትሒ” ሩስያ ዝምልሱን ዘይቕልበሱን’ዮም ክብል ተዛሪቡ። ሩስያ፡ ካብ 2014 ጀሚሩ ኣብ ዶነስክን ሉሃንስክን ናይ ውክልና ምምሕዳራት ጸኒሑዋ’ዩ። ክልቲአን ዞባታት፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ቅድሚ ምፍጻማ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት፡ ርእሰን ዝኸኣላ ዞባታት እየን ክብል ፕረዚደንት ፑቲን ኣዊጁ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዩክረይን 8000 ትርብዒት ኪሎ ሜትሮ ካብ ሩስያ ከም ዝመንዝዐት ገሊጻ ነይራ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cll68pe04lzo"} {"headline":"ወተሃደራት ሩስያ ካብ ምብራቓዊት ከተማ ሊይማን ከንሳሕቡ ተገዲዶም","content":"ሩስያ ካብታ ስትራተጅያዊት ዝዀነት ከተማ ሊይማን ናይ ዩክረይን ወተሃደራታ ከምዝሰሓበት ተፈሊጡ። እዚ ኸኣ ሩስያ ኣብ ምብራቓዊ ግዝኣት ዩክረይን ንእተካይዶ ወፍሪ ዓቢይ ማሕንቘ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። እቲ ናይ ምዝላቕ ስጕምቲ ዝተወሰደ ኣብታ ከተማ ዓስኪሮም ዝነበሩ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ክባ ክኣትዉ ይኽእሉ’ዮም ዝብል ሻቕሎት ከምዝነበረ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ኣፍሊጡ። እታ ከተማ ቀንዲ ማእከል ሎጅስቲክስ [ዕጥቅን ስንቅን] ሩስያ ኰይና ተገልግል ዝነበረት ኰይና ሓይልታት ዩክረይን ኣብ ግዝኣታት ዶነስክን ሉሃንስክን ተወሰኽቲ ከባቢታት ንኽቈጻጸሩ ሓጋዚት ከተማ ምዃና ተሓቢሩ። ወተሃደራት ዩክረይን ባንዴራ ሃገሮም እናንበልበሉ ኣብ ወሰናስን ከተማ ሊይማን ከምዝተርኣዩ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተጠቅዐ ቪድዮ የርኢ። እንተዀነ ዋላ’ኳ ሰማያውን ቢጫን ዝሕብሩ ባንዴራ ዩክረይን ኣብታ ከተማ እንተተረኣየ፡ ኣብኡ ውግኣት ይቕጽል ከምዘሎ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብ ናይ ትማሊ ምሸት መደረኡ ገሊጹ። ምሉእ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ግን ተቘጢቡ’ዩ። እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት፡ ነቲ የማናይ ኢድ ሩስያ ዝዀነ መራሒ ቸቺንያ ራምዛን ካዲሮቭ ሩስያ ከምዚ ዝዓይነቱ ስዕረት ክገጥማ እንከሎ ናይ ሓጺር ርሕቐት ኒኩሌየር ንምጥቃም ክትሓስበሉ ኣለዋ ዝብል ርእይቶ ንኽህብ ደፋፊእዎ’ዩ። ሊይማን ኣብ ዶነስክ እትርከብ ከተማ እያ። ዶነስክ ድማ ካብተን ኣርባዕተ ብሓይልታት ሩስያ ኣብ ቁጽጽር ዝኣተዋ ግዝኣታት ዩክረይን ሓንቲ ኰይና ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ናብ ግዝኣታ ከምዝጠቕለለታ ብወግዒ ኣፍሊጣ’ያ። ዩክረይን ኮነ ደገፍታ ምዕራባውያን ሃገራት ግን ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ተራ ወራር መሬት'ዩ ኢለናኦ። ኣማኻሪ ሚኒስተር ሓይልታት ምክልኻል ዩክረይን ኣቐድም ኣቢሉ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ድሕሪ ብዙሕ ውግኣት ኣብ ከባቢ ሊይማን ዝተረኸበ ዓወት “ዝንኣድ ውጽኢት” እዩ ኢልዎ። ወተሃደራት ሩስያ ኢዶም ንኽህቡ ዕድል ተዋሂብዎም’ዩ ዝበለ ዩሪክ ሳክ ከም ምሩኻት ካብ ኣተሓሕዛ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዝሓሸ ህይወት ከምዝህልዎም ተዛሪቡ። ብዙሕ ከይጸንሐት ክረምሊን ኣብቲ ዝተግበረ ውግኣት ወተሃደራት ዩክረይን ላዕለዋይ ኢድ ከምዝነበሮም ብምጥቃስ፡ ወተሃደራታ ካብ ሊይማን ተውጽእ ከምዘላ ኣፍሊጣ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/czq1qdp95q3o"} {"headline":"ሆንግ ኮንግ፡ 500 ሽሕ ናጻ ትኬታት ኣየር ንበጻሕቲ ሃገር ክትዕድል'ያ","content":"ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተሃሰየ ኢንዳስትሪ ቱሪዝም ንምዕባይ ትጽዕር ዘላ ሆንግ ኮንግ፡ 254.8 ሚሊዮን ዶላር ዝዋግኦም 500 ሽሕ ትኬታት ኣየር ብናጻ ክህብ እየ ኢላ። እታ ከተማ፡ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ብርክት ዝበሉ መምርሒታት ኮሮናቫይረስ ክለዓሉ ገይራ እያ። ይኹን'ምበር፡ ቀንዲ መገዲታት ኣየር ዓቕሞም ናብቲ ቅድሚ ኮሮናቫይረስ ዝነበረ ኣገልግሎት ንምምላስ ይቃለሱ'ዮም ዘለው። ብረቡዕ፡ ብሪጣኒያዊ መገዲ ኣየር ቨርጅን ኣትላንቲክ፡ ምስ ኲናት ዩክረይን ብዝተሓሓዝ ኣብ ሆንግ ኮንግ ዝህቦ ዝነበረ ኣገልግሎት ጠጠው ከም ዘብል ገሊጹ። \"ቀጻሊ ምዕጻው ክሊ ኣየር ሩስያ፡ ርኡይ ሕልኽላኻት ኣሰራርሓ ስለ ዘስዓበ፡ ኣብ መጋቢት 2023 ከምቲ ዝተወጠነሉ በረራታት ንከይቕጽሉ ምኽንያት ኰይኑ'ዩ\" ኢሉ። ስለ ዝዀነ ድማ፡ በዚ መገዲ ዝጉዓዙ ንዝነበሩ ዓማዊሉ ከምኡ'ውን ካብ መጋቢት 2023 ኣትሒዞም ክጉዓዙ ተመዝጊቦም [ቡክ ገይሮም] ንዝነበሩ ዓማዊል ይቕሬታ ሓቲቱ። እቲ ብቢልየነር ሪቻርድ ብራንሰን ዝተመስረተ መገዲ ኣየር፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ'ዩ ናብ ሆንግ ኮንግ ዘካይዶም በረራታት ኣቋሪጹ። ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር፡ ብዙሓት መገዲታት ኣየር በረራታቶም ጠጠው ከብሉ ወይ በቲ ከባቢ ዝግበር በረራ ንምውጋድ ዝነወሐ መገዲ ክወስዱ ኣገዲዱ'ዩ። ዋና ዳይሬክተር ቦርድ ቱሪዝም ሆንግ ኮንግ ዳን ቼንግ ብወገኑ፡ \"ክግበሩ ዘለዎም ምድላዋት ዝምልከት፡ ሰብ መዚ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ ኩባንያታት መገዲ ኣየር ክውድኡ'ዮም። ሓንሳእ መንግስቲ ንተጉዓዝቲ ውሽጢ ሃገር ዘቐመጦም እገዳታት ኮቪድ-19 ከም ዘልዕሎም ምስ ኣወጀ፡ ጐስጓሳት ናጻ ትኬት ኣየር ክንጅምር ኢና\" ክብል ተዛሪቡ። ንሱ ወሱኹ፡ እቶም ናጻ ትኬታት ኣብ እዋን ኮሮናቫይረስ መገዲ ኣየር ሆንግ ኮንግ ንምሕጋዝ ብዝብል ተዓዲጐም ዝነበሩ ምዃኖም ብምግላጽ፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመት [2023] ንተጉዓዝቲ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ክዕደሉ እዮም ኢሉ። ክሳብ ቀረባ እዋናት፡ ሆንግ ኮንግ ንፖሊሲ 'ቻይና ዜሮ ኮቪድ' ክትክተል ብምጽንሓ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም እቲ ዝበርትዐ ሕግታት ኮሮናቫይረስ ዘለወን ከባቢታት ብምዃን'ያ ክትፍለጥ ጸኒሓ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ መንግስቲ እታ ከተማ፡ ናብታ ከተማ ዝኣትው ተጉዓዝቲ ኣብ ሆቴል ክውሸቡ ወይ ካብ ኮቪድ ናጻ ምዃኖም ዘርኢ ናይ መርመራ ወረቐት ከርእዩ ከም ዘይግደዱ ገሊጹ ነይሩ። ሕጂ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ሰባት፡ ንርእሶም ከጋጥም ካብ ዝኽእል መልከፍቲ ጥንቃቐ ክገብሩ ጥራይ እዩ ትጽቢት ዝግበረሎም። እዚ ድማ፡ ብዙሓት ሰባት ካብን ናብን ሆንግ ኮንግ ትኬት ክዕድጉ ገይሩ። ኣብ ትካል መጽናዕቲ ዕዳጋ ዩሮሞኒተር ኢንተርናሽናል ተንታኒት ዝኾነት ፕሩደንስ ላይ፡ ናጻ ትኬት ምሃብ፡ ሆንግ ኮንግ ህብብቲ ማእከል በጻሕቲ ሃገር እያ ዝብል ተፈላጥነት ብቕልጡፍ ንምርካብ ይሕግዝ እዩ ትብል። ልዕሊ ፍርቂ ተጉዓዝቲ ውሽጢ ዓዲ ሆንግ ኮንግ ካብ ቻይና ዝመጽኡ እዮም። ኣብ መጀመርታ ሸሞንተ ኣዋርሕ እዚ ዓመት፡ ሆንግ ኮንግ 184 ሽሕ በጻሕቲ ኣተኣናጊዳ። እዚ፡ ቅድሚ ኮሮናቫይረስ ምስ ዝነበረ ብዝሒ በጻሕቲ ዓዲ ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ። ኣብ 2019፡ 56 ሚሊዮን ሰባት ኣብታ ከተማ ምብጻሕ ገይሮም ነይሮም።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c80pryn8p0do"} {"headline":"ዘለንስኪ፡ ሩስያ “ፍትሓዊ መቕጻዕቲ” ክትረክብ ጸዊዑ","content":"ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ብዝፈጸመቶ ወራር “ፍትሓዊ መቕጻዕቲ” ክትረክብ ኣለዋ ክብል ተዛሪቡ። ንሱ ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝጋባእ ዘሎ ሓፈሻዊ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት፡ ብቪድዮ ዝተቐድሐ መልእኽቲ ከመሓላልፍ እንከሎ፡ ብሩስያ ተፈጺሞም ዝበሎም ክስታት ገበናት ኲናት ድሕሪ ምዝርዛር ፍሉይ ቤት ፍርዲ ኲናት ክምስረት ጸዊዑ። እዚ፡ ሩስያ ንዝፈጸመቶ ገበናት ምምንዛዕ ግዝኣታዊ ሓድነትን ቕትለት ኣሽሓት ሰባትን ተሓታቲት ክትኸውን ንምግባር ክሕግዝ’ዩ ኢሉ። ብተወሳኺ፡ ንሩስያ ንምቕጻዕ ተወሳኺ ወተሃደራዊ ድጋፍን “ቀመር” ሰላምን ከም ዘዳለወ ሓቢሩ። ዘለንስኪ፡ ሩስያ “ብዘይሕጋዊ ኲናት ዘስካሕክሕ ናዕቢ” ተስዕብ ኣላ ኢሉ። ትማሊ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣስታት 300 ሽሕ ዕቑር ሰራዊት እታ ሃገር ናብ ኲናት ክኸትት ክጽውዕ እንከሎ፡ ኣብ ጐደናታት እታ ሃገር ሳሕቲ ዝርአ ተቓውሞታት ኣልዒሉ። እዚ ስጉምቲ፡ ሩስያ ንሰላማዊ ዝርርብ ድልውነት ከም ዘይብላ ዘርኢ’ዩ ክብል ዘለንስኪ ነቒፉ። ብተወሳኺ፡ ሩስያ ኣብ ዝተቖጻጸረተን ዞባታት ዩክረይን ህዝበ ውሳነ ክካየድ ዝሓዘቶ መደብ ኰኒኑ። ዘለንስኪ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ሓይልታቱ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ሩስያ ኣብ ዝመንዝዑዋ ሰሜን ምብራቓዊት ከተማ ኢዝዩም 445 ሓደሽቲ መቓብራት ከም ዝረኸቡ ጠቒሱ። ኣብታ ከተማ ብዙሓት ገበናት ኲናት ተፈጺሞም’ዮም ዝበለ እቲ ፕረዚደንት፡ ሓደ ሰብኣይ ተሰሊቡ ከም ዝተቐትለ ብኣብነት ኣልዒሉ። ዘለንስኪ ኣብ መደርኡ፡ 15 ግዜ “መቕጻዕቲ” ክብል ዝተሰምዐ ኰይኑ፡ ንሰላም ዘይንደራደረሎም ዝበሎም ሓሙሽተ ቅድመ ኩነታት ዘርዚሩ። ስለ ዝዀነ ድማ፡ ሩስያ ብተወሳኺ እገዳታት ክግበረላን ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዘለዋ ዝልዓለ ተራ ብምስራዝን ክትቅጻዕ ኣለዋ ይብል። ካብኡ ሓሊፉ፡ ህይወት ዩክሬናውያን ክሕሎን ዓለምለኻዊ ዶባት ዩክረይን ክኽበሩን ሓቲቱ። ከም ራብዓይን ሓምሻይን ቅድመ ኩነት ጌሩ ዘቐመጦም ድማ፡ ንኪቭ ሓደሽቲ ውሕስናታት ድሕነት ክግበሩን ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ሩስያ ጠጠው ክብል ዓለም ክትጽውዕን ኣለዋ ኢሉ። ብረቡዕ፡ ሓላፊ ፖሊሲ ጉዳይ ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሃገራት እቲ ዞባ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ሓደሽቲ እገዳታት ንምእዋጅ ከም ዝተሰማምዓ ገሊጹ ነይሩ። ጆሴፍ ቦረል፡ እቶም እገዳታት ኣብ ልዕሊ ውልቀሰባትን ዓውድታት ቁጠባን እታ ሃገር ዘነጻጸሩ ከም ዝዀኑ ተዛሪቡ። ሩስያ እትርከበን ሸውዓተ ሃገራት፡ ዘለንስኪ ኣብቲ ጉባኤ ብቪድዮ መደረ ንከየስምዕ ከም ዝተቓወማ ብምግላጽ፡ ነተን ድምጺ ዝሃብኦ 101 ሃገራት ኣመስጊኑ። ንሱ፡ ሩስያ ሓቀኛ ድልየት ሰላማዊ ዝርርብ የብላን እኳ እንተበለ፡ ክልቲአን ሃገራት ብረቡዕ ምልውዋጥ ምሩኻት ገይረን ኣለዋ። ብሸነኽ ዩክረይን፡ 10 ወጻእተኛታት ዝርከቡዎም 215 ወተሃደራት ክምለሱ እንከለው፡ ሩስያ ብወገና 55 ወተሃደራትን ደጋፊ ፖለቲካ ሩስያ ዝዀነ ኣብ ዩክሬይን ብክሕደት ሃገር ዝተኸሰሰ ቪክቶር መድቬቹክን ተቐቢላ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c974m917zmyo"} {"headline":"ኣብ ዲ.ሪ.ኮንጎ ዝነበሩ ዓቀብቲ ሰላም ዩክሬይን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም","content":"ኣብ ትሕቲ ሕቡራት ሃገራት ዓቀብቲ ሰላም ኰይኖም ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ተዋፊሮም ዝጸንሑ 250 ወተሃደራት ዩክሬይን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ክፍሊ መጓዓዝያ ነፈርቲ እቲ ዓቃቢ ሰላም ዝነበረ ጉጅለ ዩክሬይን ናብ ሃገሩ ከም ዝተመለሰ ይዝከር። እዚ፡ እቲ ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝተዋፈረ ዓቃቢ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ልዑል ሕጽረት ነፈርቲ ከስዕበሉ’ዩ ብምባል ገለ ዲፕሎማት ኣጠንቂቖም ነይሮም። ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዘለዋ ሸሞንተ ነፈርቲ ዩክሬይን፡ ሓደ መሰለስ ከም ዝሕዛ ተገሊጹ ነይሩ። ሩስያ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2022 ንዩክሬይን ካብ እትወራ ንድሓር፡ ዩክሬይን ኣብ ትሕቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዓቃቢ ሰላም ተዋፊሮም ዝጸንሑ ወተሃደራታ ከተውጽእ ጸኒሓ እያ። ብጽዑቕ ጨካ ኣብ ዝተሸፈኑ ከባቢታት ኮንጎ ዝንቀሳቐሱ ዝተፈላለዩ ዓመጽቲ ጉጅለታት ንምቁጽጻር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ እቲ ኣገልግሎት ነፈርቲ ነቲ ዓቃቢ ሰላም ኣዝዩ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ይግለጽ። ኣዛዚ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኮንጎ ጀነራል ማርኮስ ዳ ኮስታ፡ እቶም ወተሃደራት “ንዓሰርታት ዓመታት ዘካየድዎ ዓብዪ ኣበርክቶ” ንኢዱ። ሞኑስኮ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ተዋፊሩ ዝጸንሐ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት፡ን30 ዓመታት ብዙሓት ዕጡቓት ጉጅለታት፡ ቅትለት፣ ጾታዊ ዓመጽ፣ ዝምታ መዓድናት ወርቅን ኣልማዝን ክፍጸም ኣብ ዝጸንሕለ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ሰላም ከምጽእ ብዘይምኽኣሉ፡ ወተሃደራቱ ይንቀፉ። ነበርቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓቃቢ ሰላም ኣብ ዘስምዑዎ ተቓውሞ፡ ኣብ ልዕሊ ህንጻታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት መጥቃዕቲ ብምፍጻሞም ኣባላት እቲ ዓቃቢ ሰላም ሓዊሱ 36 ሰባት ሞይቶም። እቲ ዓቃቢ ሰላም ብ22 ዓመታት ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ቀስ ብቐስ ክወጽእ እዩ ይብሃል፤ ግን ነዚ ዝተቐመጠ ግዜ ገደብ የለን። ኣብታ ብሃብቲ መዓድን ዝበልጸገት ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ተዋፊሩ ዝርከብ ዓቃቢ ሰላም ኣብታ ሃገር ንልዕሊ 20 ዓመታት ክጸንሕ እንከሎ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ዘለውዎ 12 ልኡኻት ምኽባር ሰላም እቲ ዝዓበየን ልዑል ወጻኢ ዝሓትትን እዩ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cxegkkv8zmdo"} {"headline":"ተዓወትቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም 2022 ዕላዊ ኰይኖም","content":"ዓርቢ ንጎሆ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ኖርወይ ኦስሎ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ተዓወትቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም 2022 ዕላዊ ተገይሩ'ሎ። ብመሰረት እቲ መግለጺ እቲ ሽልማት ንሓደ ኣክቲቪስትን ኣብ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ንዝርከቡ ክልተ ሲቪላዊ ትካላትን ብሓባር ከምዝተውሃበ ተፈሊጡ። እቶም ሰለስተ ተዓወትቲ ኣለስ ቢያሊያትስኪ፡ ማእከል ሲቪላዊ ሓርነት ዩክሬንን ሓደ ካብቶም ዝጸንሑ ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላት ሩስያ ዝኾነ ሚሞሪያል ኮይኖም ኣለዉ። ሓላፊት ኮሚቴ ኖቤል ኖርወይ በሪት ራይስ-ኣንደርሰን፡ እቶም ተዓወትቲ ኣብ ቤላሩስ፡ ሩስያን ዩክሬንን \"ብሉጻት ሻምፕዮናት ሰብኣዊ መሰላት፡ ዲሞክራስን ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራን\" ምዃኖም ገሊጻ። እቶም ተቐበልቲ ሽልማት፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት \"ሰላምን ሕውነትን ምስፋን\" ዝብል ራእይ እቲ መስራቲ ኣልፍሬድ ኖቤል ከምዘኽበሩ ይግለጽ። እዚ ራእይ፡ \"ሎሚ ኣብ ዓለም ኣዝዩ ዘድሊ ራእይ\" ክትብል እታ ሓላፊት ቅድሚ መደረኣ ምዕጻዋ ተዛሪባ። ቢያሊያትስኪ፡ ንናይ ተቓውሞ ስጉምቲ ምላሽ ንምሃብ ናይ ገዛእ ርእሱ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ዝመስረተ ቤላሩስያዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ። ኣብ 2007 ዝተመስረተ ማእከል ሲቪላዊ ሓርነት: ኣብታ ብሩስያ ዝተጎበጠት ክሪሚያ ዝፍጸም ፖለቲካዊ ስደት ዝተኸታተለን ድሕሪ ወራር ሩስያ ኣብ ዩክሬን ዝተፈጸሙ ገበናት ኲናት ዝሰነደን ትካል እዩ። እቲ ዩክሬናዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ድሕሪ እቲ ሽልማት ኣብ ትዊተር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ‘ሓበን’ ከምዝተሰምዖ ሓቢሩ’ሎ። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ዝተዓጽወ ሚሞሪያል፡ ዝኽሪ ናይቶም ኣብ ዘመነ ሶቭየት ዝተቐትሉ፡ ዝተኣስሩ ወይ ዝተሳደዱ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ንጹሃት ሰባት ክጥጥዕ ከምዝሰርሐ ይፍለጥ። እዚ ሽልማት፡ ኣብ መድረኽ ዓለም ርኡይ ክብሪ ዝሓዘ ክኸውን ከሎ እቶም ተዓወትቲ ድማ 10 ሚልዮን ሽወደናዊ ክሮና (897,000 ዶላር) ዝግመት ሽልማት ገንዘብ ክካፈሉ እዮም። እዚ ሽልማት ሰላም ንሓደ ሰሙን ክካየድ ዝጸንሐ ስነ ስርዓት ሽልማት ኖቤል ዝዛዘም እዩ። ሽልማት ኖቤል፡ ኣብ ዓውድታት ፊዚክስ፡ ኬሚስትሪ፡ ሕክምና፡ ስነ-ጽሑፍን ሰላምን ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ \"ንወዲ ሰብ ዘርብሕ ነገራት ዘበርከቱ\" ሰባት ዓመታዊ ዝወሃብ እዩ። እቲ ሽም፡ ካብቲ ነዚ ሽልማት ዝመስረተ ሽወደናዊ ነጋዳይ - መሃዚ ዳይናሚት ቦምብ - ኣልፍረድ ኖቤል ዝተወስደ እዩ። ንሱ፡ ዝበዝሕ ሃብቱ ኣብ ሓደ ማዕከን ገዲፉ ነቲ ሽልማት ኣበገሰ፤ ኣብ 1901 ከኣ እዚ ሽልማት ንመጀመርታ ግዜ ተዋህበ። ኣብ 1968 ድማ ብማእከላይ ባንክ ሽወደን ሽልማት ስነቝጠባ ተወሲኽዎ እቲ ዓውድታት ሽልማት ዓበዩ። ብመሰረት ጸብጻብ መርበብ ሓበሬታ Nobelpeace.org ፡ ካብ 1901 - 2021 ሽልማት ኖቤልን ሽልማት ስቨሪጅስ ሪክስ ባንክን ኣብ ዓውዲ ቝጠባ፡ ንዝኽሪ ኣልፍረድ ኖቤል ብድምር ን943 ውልቀሰባትን 25 ትካላትን ከም ዝተዋህበ ሰፊሩ’ሎ። ኖብል ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዓመታት፡ 58 ግዜ ንደቂ ኣንስትዮ ሸሊሙ። ኣብ ታሪኽ ኖቤል፡ ነቲ ሽልማት ዝነጸጉ ፈረንሳዊ ጸሓፊ ዣን ፖል ሳርተን መራሒ ቬትናም ለ ዱክ ቶን ጥራይ እዮም። ሽልማት ኖቤል ሰላም፡ እዚ ኣብ ዓለም ብፍሉይ ክብሪ ዝረአ ሽልማት ኖቤል ሓደ ካብቶም ዝዓበየ ሽዱሽተ ሽልማታት ዓለም እዩ። \"ኣብ መንጐ ሃገራት\/ኣህዛብ ሕብረት ንምስጓም፡ ኣጽዋራት ንምንካይ ወይ ንምዕናው፡ ከምኡ'ውን ጉባኤታት ሰላም ንምምስራትን ንምድንፋዕን\" ዝከኣሎ ንዝሰርሐ ሰብ ወይ ትካል ይወሃብ። ይኹን እምበር እቲ ናይ ሰላም ሽልማት ብሰንኪ እቲ ፖለቲካዊ ባህሪ ልዕሊ ካብቶም ካልኦት ሓሙሽተ ዓውድታት ሽልማት ዝያዳ ኣካታዒ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ክትዕ ካብዘልዓሉ ተሸለምቲ ኖቤል፡ ኣብይ ኣሕመድ፣ ባራክ ኦባማ፣ ያሰር ዓራፋት፣ አንግ ሳን ሱቺ፣ ዋንጋሪ ማታይን ሄንሪ ኪሲንጀርን ይርከቡ። እቲ ሽልማት ኖቤል፡ ንገለ ሰባት ብምግላፍን ምግላልን እውን ይውቀስ እዩ። ንኣብነት፡ ማህተመ ጋንዲ ሽልማት ኖቤል ከይተሸለመ ምትራፉ ኣዝዩ ኣደናቕን ኣዘራራብን ነገር እዩ። ኣለስ ቢያሊያትስኪ ፍሉጥ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ቤላሩስ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዘይ ፍርዲኣብ ቤት ማእሰርቲ ተታሒዙ ይርከብ። እቲ ወዲ 60 ዓመት ቢያሊያትስኪ፡ ኣብ 1996 ኣረሜናዊ ስጉምቲታት ምልካዊ መራሒ ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሸንኮ ዝቃወም ትካል ማእከል ሰብኣዊ መሰላት ቪያስና መስሪቱ እዩ። ቪያስና፡ ብሰበስልጣን ቤላሩስ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ እሱራት ዝፍጸም ዝነበረ ስቅያት ብምስናድ ነቶም ኣብቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ሰልፈኛታትን ስድራቤታቶምን ደገፍ ከምዝሃበ ይፍለጥ። ሓላፊት ኮሚቴ ኖቤል በሪት ራይስ-ኣንደርሰን፡ ተዓወትቲ እቲ ሽልማት ኣብዝገለጸትሉ እዋን፡ \"ኣብ ሃገሩ ዲሞክራስን ሰላማዊ ምዕባለን ንምድንፋዕ ህይወቱ ወፍዩ'ዩ\" ኢላ ገሊጻቶ’ያ። ብዙሕ ኣህጉራዊ ሽልማታት ሰብኣዊ መሰላት ዝረኸበ ቢያሊያትስኪ፡ ኣብ 2011 ምጭብርባር ግብሪ ተፈሪድዎ ሰለስተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕሊፉ እዩ። እሱን ነቲ ክሲ ወትሩ ይኽሕዶ። ሚስተር ሉካሸንኮ ኣብ ስልጣን ዘቐመጦ ምትላል መረጻ እዩ ብዝብል ሰፊሕ ናይ ጎደና ተቓውሞታት ስዒቡ ኣብ 2020 መሊሱ ተኣሲሩ። ራይስ-ኣንደርሰን፡ \"ሰበስልጣን መንግስቲ ንኣለስ ቢያሊያትስኪ ስቕ ክብሉ ብተደጋጋሚ ጻዕሪ ጌሮም'ዮም\" ትብል። ወሲኻ’ውን፡ \"ዋላ'ኳ ዓቢ ውልቃዊ ጸገም እንተሃለዎ፡ ሚስተር ቢያሊያትስኪ ኣብ ቤላሩስ ንሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራስን ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ ሓንቲ ኢንች'ውን ኢዱ ኣይሃበን\" ኢላ። ቅድሚ ክልተ ዓመት ቅድሚ ምእሳሩ፡ ቢያሊያትስኪ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጹ፡ ሰበስልጣን ቤላሩስ \"ስርዓት ጎበጣ ኮይኖም ይሰርሑ ኣለዉ\" ክብል ጽሒፉ ነይሩ። ህሉው ጥዕና ቢያሊያትስኪ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዝርከብ ኣይተፈልጠን። ምዕራባውያን ናይ መወዳእታ ውልቀ መላኺ ኤውሮጳ ዝብልዎ ሚስተር ሉካሸንኮ፡ ካብ 1994 ጀሚሩ ንቤላሩስ ብጭቆናን ብዘይ ርህራሄን እናገዝ ይርከብ። ናይ ቀረባ መሻርኽቱ ዝኾነ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ መሬት ቤላሩስ ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን መጥቃዕቲ ሚሳይላት ንክፍጽም፡ ወራር ሞስኮ ብ24 ለካቲት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ድማ ናይ ምድሪ ሰራዊትን መኽዘንኣጽዋርን ሩስያ ናብ ቤላሩስ ንክሰድድን ክፈቅድ ጸኒሑ’ዩ። ቤላሩስ፡ ሽልማት ኖቤል ሰላም ኣለስ ቢያሊያትስኪ ኣውጊዛቶ’ያ። ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ ኖቤል፡ ብሰንኪ እቲ ውሳነ፡ መቓብር ናይቲ መስራቲ እቲ ክቡር ሽልማት ይግልብጥ ከምዘሎ ገሊጹ። ሓደ ካብቶም ሓባራዊ ተዓወትቲ ናይ ሎሚ ዓመት ሽልማት ኖቤል ሰላም ዝኾነ ማእከል ሲቪላዊ ሓርነት ዩክሬን ከብ መንጎ እቶም ኣብ ዩክሬን ዝፍለጡ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት’ዩ። ካብ ኣባላት ሶቭየት ነበር ዝኾነ ትሽዓተ ሃገራትዝመጹ መራሕቲ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኪየቭ ስግረ-ዶባዊ ማእከል ደገፍ ሃብቲ ክፈጥሩ ኣብ ዝወሰኑሉ እዋን ኣብ 2007 ዝተመስረተ እዩ። ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ድማ ኣብታ ብሩስያ ዝተጎበጠት ክሪሚያ ዝፍጸም ፖለቲካዊ ስቅያት ክከታተልን ክስንድን ጸኒሑ። ኣብ ዶንባስ ኣብ ዝነበረ ኲናት ገበናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ሰኒዱ፡ ፖለቲካዊ እሱራት ክረምሊን ንምፍታሕ ኣህጉራዊ ጎስጓሳት ኣካይዱ’ዩ። ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ንዩክሬን ድሕሪ ምውራራ፡ ማእከል ሲቪላዊ ሓርነት፡ ሩስያ ኣብልዕሊ ሲቪላዊ ህዝቢ ዩክሬን ዝፈጸመቶ ገበናት ኲናት ኣብ ምልላይን ምስናድንተዋፊሩ ይርከብ። ሓደ ካብቶም ሓባራዊ ሽልማት ኖቤል ሰላም ዝረኸቡ ሚሞሪያል፡ ካብ መንጎ እቶም ዝጸንሑ ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላት ሩስያ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብፍርዳዊ ኣካል ሩስያ ክፈርስ ከሎ፡ ሩስያ ንሲቪላዊ ማሕበረሰባት እታ ሃገር ከምትዓጹ ዘርኢ ካልእ ምልክት'ዩ ነይሩ። ስርሑ ካብ መወዳእታ 1980ታት ዝጀመረ ሚሞሪያል፡ ኣብ ራዕዲ ምልካዊ ስርዓት ጆሴፍ ስታሊንን ብሓፈሻ ኣብ ትሕቲ ዘመነ ሶቭየትን ዘተኮረ እዩ። ንዓሰርተታት ዓመታት ክውንነት ዓፈና ሶቭየትን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ዝተፈጸመ ብዙሕ ምግሃስ መሰላትን ንምቕላዕ ሓጊዙ’ዩ። ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር እቲ ውድቀት ኮሚኒዝም ዝረኣየ ቭላድሚር ፑቲን ግን፡ ሚሞሪያል ንገበናት ናይቲ ፑቲን ክውድሶ ዝደለየ ሕሉፍ ብምቅላዕ ዕንቅፋት ኮይኑ። ስለዚ ድማ እዮም ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ንሚሞሪያል ብዘመነ ስታሊን ህይወቶም ንዝተጎድአ ሚልዮናት ስድራቤታት ኣብ ምሕጋዝ ዘለዎ ሓቀኛ ተራ ዘይኮነስ፡ ታሪኻዊ ዝኽሪ ይጥምዝዝ ኣሎ ኢሎም ዝኸሰሱ። ኣብዚ ዓመት ንሚሞሪያል ሽልማት ምሃብ፡ ካብቲ ኣብ 2021 ንኣሰናዳኢ ሊበራል ሩስያዊ ጋዜጣ ዲሚትሪ ሙራቶቭ ንምሽላም ዝተወስደ ውሳነ ዝፍለ ኣይኮነን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ጋዜጣ ዲሚትሪ ኣይትሕተምን እያ፡ እንተኾነ ግን ክሳብ ሕጂ ኣይሞተትን። ፑቲን ንሚሞሪያል ከጥፍዕ እንተደለየ’ውን ሚሞሪያል ግን ኣይክጠፍእን እዩ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw57l734rp2o"} {"headline":"ሰሜን ኮርያ፡ ንሩስያ ኣጽዋር ትሸጠላ ኣላ ዝብል ክሲ ነጺጋ","content":"ሰሜን ኮርያ፡ ንሩስያ ኣጽዋር ሸይጣትላ ከም ዘይትፈልጥን ኣብ ቀጻሊ’ውን ንምሻጥ መደባት ከም ዘይብላን ገሊጻ። ኣብ ቀረባ ሰሙናት፡ ሰብ መዚ ኣሜሪካ ሩስያ ሮኬታትን ከበድቲ ኣጽዋራትን ካብ ሰሜን ኮርያ ክትዕድግ ትኽእል እያ ኢሎም ነይሮም። እዞም ስጕምታት፡ ምስቲ ሩስያ ዕድጊ ኣጽዋር ኢራን ፈጺማ’ያ ዝብል ክሲ ብዝተሓሓዝ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘንበራኦ እገዳታት ኣብ ዩክረይን እተካይዶ ዘላ ኲናት የዐንቅፎ ከም ዘሎ ይግለጽ። ሩስያ፡ እቶም ጸብጻባት ነጺጋቶም’ያ። ይዅን’ምበር፡ ዝዀነ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝግበር ምንቅስቓስ ኣጽዋር ጥሕሰት እገዳታት ሕቡራት ሃገራት እዩ ክኸውን። ማዕከን ዜና ሰሜን ኮርያ ኤሲኤንኤ ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሽሙ ዘይተጠቕሰ በዓል ስልጣን፡ “ናብ ሩስያ ኣጽዋር ሰዲድና ኣይንፈልጥን፤ ክንልእኽ’ውን መደብ የብልናን” ኢሉ። ኣሜሪካን ካልኦት “ተጻባእቲ ሓይልታትን” ግን “መሰረት ዘይብሎም ፖለቲካውን ወተሃደራውን ዕላማታት” ንምስኻዕ ሕሜት ይዝርግሑ ኣለው ክብል ከሲሱ። ኣብ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ መስከረም፡ ኣሜሪካ ሩስያ ካብ ሰሜን ኮርያ ዝዓደገቶ ኣጽዋር፡ “ብሚልዮናት ዝቝጸር ዓረራት፡ ሮኬታት፡ ከቢድ ብረትን ክኸውን ይኽእል’ዩ” ኢላ ነይራ። ጸኒሑ፡ ወሃቢ ቃል ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕነት ጆን ኪርቢ እቲ ዕድጊ ገና ኣይተወድአን፤ እቶም ኣጽዋር ክኣ ኣብ ኲናት ዩክረይን ዝውዕሉ ድዮም ዝብል ዘረጋግጽ መረዳእታ ኣይተረኽበን ክብል ተዛሪቡ። ሃገራት ምዕራብ፡ ንዩክረይን ብርከት ዝበለ ሓገዝ ኣጽዋር ከም ዝገብራላ ይፍለጥ። ኣብ ወርሒ ሓምለ ድማ፡ ሰሜን ኮርያ ነተን ብሩስያ ዝድገፉ ተገንጸልቲ ሓይልታት ዝመሓደራ ሩስያ ኣፍልጦ ዝሃበተን ዞባታት ምብራቕ ዩክረይን ኣፍልጦ ሂባተን እያ። ነዚ ስዒቡ፡ ዩክረይን ምስ ሰሜን ኮርያ ዝነበራ ዲፕሎማሲያዊ ርክባት በቲኻ። ኣብዚ ወርሒ፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ናብ መዘናኡ ኪም ጆን ኡን ኣብ ዝልኣኾ ደብዳበ፡ ክልተኣዊ ርክብ እተን ሃገራት ንምስፋሕ ቃል ኣትዩ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3g13dzxge7o"} {"headline":"“ትሕቲ ከልቢ’የ ተራእየ” ካብ ቤት ማእሰርቲ ሩስያ ዝተፈትሐ ኢንግሊዝያዊ","content":"ካብ ቤት ማእሰርቲ ሩስያ ዝተፈትሐ ብሪጣኒያዊ ኣብ ናይ ማእሰርቲ ጻኒሒቱ ንኸልቢ ካብ ዝውሃብ ክብሪ ብዝሓመቐ መገዲ ከምዝተኣናገደን ኣብ ጽሙው ቤት ማእሰርቲ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ከምዝተኣሰረን ገሊጹ። ኣብ ዩክረይን ሩስያ ብእትሕግዞም ሓይልታት ከምዝተኣሰረ ዝተዛረበ ኣይደን ኣስሊን ኣብ ሩስያ ንኣዋርሕ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ሃገሩ ዓባይ ብሪጣንያ ተመሊሱ’ሎ። ንሱ ን ‘ዘ ሰን’ ሎሚ ሰንበት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ምስተወግአ 'ቅልጡፍ ዶስ ጥዑም ኣማዋዉታ ይሕሸካ?' ዝብል መማረጺ ቀሪብሉ ከምዝነበረ ተዛሪቡ። እቶም እሱራት ንጉሆ ንጉሆ ሃገራዊ መዝሙር ሩስያ ክዝምሩ ይግደዱ ከምዝነበሩ ዝሓበረ ኣይሰን፡ “እንተዘይዘሚርካ ግን ትቕጻዕን ትውቃዕን” ኢሉ። ኣይሰን ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት ምሩኽ ኮይኑ ኣብ ዝተትሓዘሉ ግዜ ከምዝተወግአን ኣብ ሰብነቱ ውቃጦ ስለዝነበሮ ድማ ከምዝወቕዕዎን ሓቢሩ። ንኣስሊን ሓዊስካ ዓሰርተ እሱራት ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ዝተፈትሑ ኮይኖም ስዑድ ዓረብ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይንን ናይ እሱራት ምልውዋጥ ክግበር ድሕሪ ምስርሓ’ዮም ተፈቲሖም። ካብቶም ዝተፈትሑ እቶም ሓሙሽተ ኢንግሊዛውያን ኮይኖም ጆን ሃርዲንግ፣ ዳይላን ሄሊ፣ ኣንድሪው ሂልን ሻዩን ፒነርን ይርከብዎም። ኣስሊን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ወዲ ኖቲንግሃምሻይር'ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ማዝያ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ዩክረይን ኣብ ማሪፖል እንዳተወጋአ እንከሎ’ዩ ተማሪኹ። ኣስሊን፣ ፒነርን ሞሮኮኣዊ ኢብራሂም ሳዱን ኣብ ቤት ፍርዲ ሪፐብሊክ ህዝብታት ዶኔስክ ቀሪቦም ናይ ሞት ፍርዲ ተፈሪድዎም ከምዝነበረ ተገሊጹ። ኣስሊን ኣብቲ ብኻራ ተወጊኡ ዝነበረሉ ግዜ “ዳርጋ ሞይተ’የ ነይረ” ኢሉ። ኣብ ናይ ክልተ ሰብ መእሰሪ ምስ ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት ተኣሲሩ ከምዝነበረ ዝገለጸ ኣስሊን እቲ መደቀሲኡ ብባልዕ ዝተወረረ ከምዝነበረ ተዛሪቡ። ሽቃቕ ብዘይምንባሩ ድማ ኣብ ጠራሙዝ ቀልቀል ይወጽኡ ከምዝነበሩ ብምዝኽኻር ንሰለስተ ሰሙን ዝኣክል ቁራስ ባንን ማይን እንዳበልዑ ብህይወት ምጽንሖም ገሊጹ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c512z8xp788o"} {"headline":"ፑቲን ሕጊ ጐበጣ ዩክረይን ፈሪሙ","content":"ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ዋላ'ውን ሰራዊቱ ካብ ተወሳኺ ቦታታት የንሳሕብ እንተሃለወ፡ ኣርባዕተ ዞባታት ዩክሬይን ንምጉባጥ ዘኽእሉ ናይ መወዳእታ ወረቓቕቲ ፈሪሙ። ብተወሳኺ፡ ሩስያ ተቖጻጺራቶ ንዘላ ትካል ኑክሌራዊ ጸዓት ዛፖሪዝዚያ ሕጋዊ ዝገብር ኣዋጅ ፈሪሙ። እቲ ሰነድ፡ ዞባታት፡ ሉሃንስክ፣ ዶኔትስክ፣ ዛፖሪዝዚያን ኼርሰንን \"ናብ ፌደሬሽን ሩስያ ተጸንቢረን ኣለዋ\" ይብል። እንተዀነ፡ ዩክሬይን ኣብ ዞባታት ሉሃንስክን ኼርሰንን ኣብ ትሕቲ ወተሃደራት ሩስያ ዝነበራ ዓድታት ትቈጻጸር ከም ዘላ ትገልጽ። ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ፑቲን ነቶም ኣብተን ዞባታት ዝሸሞቶም መራሕቲ፡ ኣብ ክሬምሊን ጽንብል ከዳልወሎም እንከሎ፡ ምስኦም ስምምዓት'ውን ፈሪሙ። እዚ ድሕሪ እቲ ኣብተን ዞባታት ብሩስያ ዝተኻየደ ህዝበ ውሳነ ዝመጽአ እኳ እንተዀነ፡ ሃገራት ምዕራብ \"ኣምሰሉ\" ብምባል ነጺገንኦ'የን። ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ፡ ሓይልታት ዩክረይን ብአንፈት ደቡብን ምብራቕን ሓደሽቲ ቦታታት ይቈጻጸሩ ኣለው። ዩክሬናዊ ኣመሓዳሪ ሉሃንስክ ሰርሂ ሄይዲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ዩክረይን ትማሊ ረቡዕ ሽዱሽተ ዓድታት እታ ዞባ ከም ዝተቘጻጸረተን ሓቢሩ። ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዜለንስኪ ብወገኑ፡ ኣብ ደቡባዊ ዞባ ኼርሶን፡ ተወሳኺ ሰላስተ ዓድታት ከም ዝተቘጻጸሩ ተዛሪቡ። ብኻልእ ወገን፡ ሎሚ ወጋሕታ ኣብ ከተማ ዛፖሪዚዝያ ብርክት ዝበለ ነትጒ ከም ዝተሰምዐ ተገሊጹ። ሰብ መዚ እቲ ከባቢ፡ ሸውዓተ ሚሳይላት ሩስያ ንመንበሪ ህንጻታት ከምዝሃረሙን ሰባት ብፍርስራስ ተጸቒጦም ከም ዘለውን ገሊጾም። ኣብታ ከተማ ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ብወገኑ፡ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኣብ ማእከል እታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ሓደ በዓል ሓሙሽተ ደርቢ ዝዓነወ ህንጻ ሰባት ንምድሓን ጻዕርታት ይገብሩ ምንባሮም ተዛሪቡ። ወሃቢ ቃል ክሬምሊን ዲመትሪ ፔስኮቭ፡ ሩስያ ዝዀነ ብሓይልታት ዩክረይን ዝተመንዝዐ ግዝኣት ክትመልሶ እያ ኢሉ። \"ኣብዚ ዝዀነ ምድንጋር የለን፤ ንዘልኣለም ምስ ሩስያ እየን ክዀና፤ ክምለሳ እየን\"። ኣቦ መንበር ኮሚቴ ምክልኻል ዱማ ኣንድሬይ ካርቶፖሎቭ ግን፡ ሩስያ ኣብ ዓውደ ውግእ የጋጥማ ብዛዕባ ዘሎ፡ ምሕሳው ጠጠው ከተበል ኣለዋ ይብል። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ፑቲን 300 ሽሕ ዕቑር ሰራዊት እታ ሃገር ክኸትት ድሕሪ ዘቕረቦ ጻውዒት ሩስያ ዕቑር ሰራዊታ ንምኽታት ትሰርሕ እያ ዘላ። እዚ፡ ብዙሓት ዜጋታት ዝተቓወሙዎ ኰይኖም፡ መንግስቲ ኣብ ዝርዝር እቶም ዝኸቱ ሰባት ዝምልከት ምምሕያሽ ገይሩ'ዩ። በዚ መሰረት ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ዝርከቡ ተመሃሮን ተመረቕቲ ተመሃሮ ሳይንስን ካብቲ ዝርዝር ክወጽኡ ገይሩ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72n581d88go"} {"headline":"ስልጣን ዝመንዝዐ 34 ዝዕድመኡ ካፕተን ትራኦረ መን’ዩ?","content":"ተመሃራይ እንከሎ ኣመና ሓፋር ግን ከኣ ትኵር ዝነበረ ወዲ 34 ዓመት ካፕተን ትራኦረ፡ መራሒ ሓንቲ ካብተን ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበረት ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ቡርኪናፋሶ ኰይኑ’ሎ። ንሱ፡ ብጻዩ ንዝነበረ ሌተናል ኰሎነል ፓል-ሄንሪ ዳሚባ፡ ነቲ ካብ 2015 ነታ ሃገር ዝደሃኸ እስላማዊ ዕጡቕ ምንቅስቓስ ንምጭፍላቕ ዝኣትዎ መብጽዓ ከተግበር ኣይከኣለን ኢሉ ብምኽሳስ እዩ፡ ብ 30 መሰከረም ስልጣን መንዚዕዎ። እቲ ብ 1988 ዝተወልደ ወዲ 34 ዓመት ካፕተን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝነኣሰ መራሒ ሃገር ኰይኑ’ሎ። በዚ ነቶም ንኣሽቱ ዝዕድመኦም ብዕልዋ ስልጣን ዝጨበጡ ኣፍሪቃውያን መራሕቲ ክበሃሉ ዝጸንሑ፤ ኣብ 1981 ዝተወልደ መራሒ ጊኒ ኰሎነል ማማዲ ዶምቦያ፡ ከምኡ’ውን ኣብ 1983 ዝተወልደ መራሒ ማሊ ኰሎነል ኣሲሚ ጐኢታ ተጸንቢርዎም ኣሎ። ካፕተን ኢብራሂም፡ መራሕቲ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ዝተኣከቡሉ፡ “ካብቶም ኣብዚ ዘለኹም ኵላትኩምም ዝነኣስኩ ምዃነይ እፈልጥ እየ፣ እቲ ዝዀነ ዝደለናዮ ኣይነበረን ግን ከኣ ኣማራጺ ኣይነበረናን፡” ክብል ተዛሪቡ። ተንተንቲ ከም ዘመልክትዎ፡ ኣብ ሓጺር እዋን መሪሕነት ‘ቲ ካብ ስልጣኑ ዝተገለፈ ኰሎነል ዳሚባ፡ ኣብ ቡርኩናፋሶ፡ ምስ ኣልቓዒዳ ምትእስሳር ዘለዎ እስላማዊ ጐነጽ እናሓያለ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ። ብመሰረት ጸብጻባት፡ እቶም ዕጡቓት ሓያለ ከባቢታት ገጠር ተቘጻጺሮም፡ ከተማታት ኣኽቢቦም፡ መንግስቲ ን 60 ሚእታዊት ክፋል እታ ሃገር ጥራይ ንኽቈጻጸር ኣጻቢቦምሉ እዮም። ኣብታ ንነዊሕ እዋናት ወተሃደራዊ ዕብለላ ዝጸንሓ ሃገረ ቡርኪናፋሶ፡ ድልዱል ትካላት ዲሞክራሲ ኣይተሃንጸን፤ ካፕተን ኢብራሂም ድማ፡ ጸጥታዊ ኵነታት እታ ብፍርሒ ተዋሒጣ ዘላ ሃገሩ ከረጋግጽ ምዃኑ ቃል ኣትዩ’ሎ። እዚ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ንኻልኣይ ግዜ ዝተኻየደ ዕልዋ፡ መርኣያ ናይቲ ኣብ 2021 ብዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ተላዒሉ ዝነበረ ኣሰካፊ ኵነታት ኰይኑ’ሎ። ጉተረስ ኣብቲ እዋን፡ “ሓድነት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ብምርግጋጽ፡ ነዚ ኣሰካፊ ተርእዮ ኰይኑ ዘሎ ዕልዋ መንግስታት ብኣድማዕነት ንምክልኻሉ ምእንቲ ኽከኣል፡ ናብተን ሓያላት ሃገራት ዝቐንዐ ግልጺ ምሕጽንታ እዩ ዘሎኒ፡” ኢሉ ነይሩ። እንተዀነ ሓያላን ሃገራት እንተስ ውሽጣዊ ቅልውላዋተን እንተስ ኲናት ዩክረይን ዓጢጡወን፡ ንከም በዓል ቡርኪናፋሶ ዝኣመሰላ ሃገራት ዝሕምስ ዘሎ ኵነታት ግዲ ኣይገበራሉን። ምውላዕ ኲናት ዩክረይን ነተን ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት መቐናቕንቲ ዝነበራ ሃገራት ኣብ ምፍጣጥ ስለዝመለሰን፡ ጽልዋኡ ንቡርኪናፋሶን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ዝተደናገረ ፖለቲካዊ ኵነታት ክነብራን ክሕመሳን ገይሩወን እዩ። ሩስያ፡ ነታ ንነዊሕ ዓመታት ኣብተን ግዝኣታታት ዝነበራ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ቁጠባዊ፡ ወተሃደራዊ፡ ባህላዊ  ዝምድናኣ ኣጽኒዓ ዝጸንሐት ፈረንሳ ኣወጻጺኣ፡ ኣብተን ሃገራት ጽልዋኣ ከተሐይል ትደሊ'ላ። ካፕተን ኢብራሂም፡ “ፈረንሳ፡ ብቐጥታ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይና ምትእትታው ከምዘይትገብር እፈልጥ እየ፡” ድሕሪ ምባሉ፡ “ኣሜሪካውያን ሕጂ መሻርኽትና እዮም ዘለው፣ እንተዀነ ሩስያ’ውን መሻርኽትና ክንገብራ ንኽእል ኢና፡” ኢሉ። እዚ ኣበሃህላኡ’ዚ፡ ኣብነት መዘናኡ መራሒ ማሊ ክኽተል ከም ዝደለየ ይእምት። መራሒ ማሊ፡ ኣንጻር ጂሃዳውያን ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ፡ ንሓይልታት ፈረንሳ በቲ ኣካራኻሪ ዝዀነ ሩስያዊ ወተሃደራዊ ጕጅለ ዋግነር ይትክኦ ኣሎ ተባሂሉ እዩ ዝውቀስ። እንተዀነ እዚ’ውን ዓወት ከም ዘየምጽኣሉን፣ እቲ ዝጸንሐ ህውከት ካብቲ ዕልዋ ዝተኻየደሉ ነሓሰ 2020 መሊሱ ከም ዝበኣሰ እዩ ዝንገር። ካፕተን ትራኦረ፡ ጂሃዳውያን ብኸመይ ከም ዝገጥሞም ካብ ማሊ ተመኵሮ ወሲዱ እዩ። ንሱ፡ ኣብ 2018 ምስ ሓይልታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ማሊ፡ ኣብታ ዘመናት ብዘቝጸረ ጥንታዊ ህንጻታት እትፍለጥ ሰሜናዊ ዞባ ቲምቡክቱ ወፊሩ፣ ብዕጡቓት ንዝተፈጸሙ “ኣዝዮም ኣሸገርቲ” መጥቃዕቲታት ንምብዳህ “ዝገርም ትብዓት” ከም ዘርኣየ እዩ ዝንገረሉ። ኣብ ዝሰዓበ ዓመት፡ ኣብቲ ዕረፍቲ ዝተሳእኖ ምብራቓዊ ቡርኪናፋሶ ዝተኻየደ፡ “ኦታፑኣኑ” ተባሂሉ ዝተጸውዐ  ንሸውዓተ ኣዋርሕ ዝኸደ ወተሃደራዊ ወፍሪ ተሳቲፉ እዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ሳሕል ኣብ ዝተኻየዱ ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ ስርሒታት’ውን ተሳቲፉ እዩ። “ትራኦረ ምስ ብጾቱ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዎ፡ ውፉይን ተባዕን እዩ። ንስርሒታት ከይወጸ፡ ሽዱሽተ ወርሒ’ውን ስቕ ኢሉ ኮፍ ክብል ኣይክእልን እዩ፡” ክብል ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ ፈላጢኡ፡ ንራድዮ ኦሜጋ ቡርኪናፋሶ ተዛሪቡ። እዚ ይዅን እምበር፡ ካፕተን ኢብራሂም ትራኦረ፡ ምዕሩግ ጀነራል ውግእ ኣይኰነን፤ ኣብ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ውሽጢ ዓዲ ጥራይ ዝተማህረ፡ ብ 2009 ኣብ ሰራዊት ዝኣተወ፡ ኣብ ሞሮኮ ታዕሊም ከቢድ ብረት ዝወሰደ ታሕተዋይ ወተሃደራዊ መኮንን እዩ። ንሱ ሞያ ውትህድርና ዝሓረየ፡ ኣብታ ካልኣይቲ ከተማ ቡርኪናፋሶ ዝዀነት ቦቦ-ዲዮላስፖ ትምህርቲ ድሕሪ ምውድኡ ምዃኑ ይንገር። ፈለጥቱ ከም ዝብልዎ ኣብ ትምህርቲ “ሓፋር ግን ከኣ በሊሕ” ስቱር ዓይነት ሰብን እዩ ነይሩ። ኣብዚ እዋን ከኣ ካፕተን ትረኦረ ማእከል ኣህጉራዊ ቈላሕታ ዝዀነ መራሒ ሃገር ኰይኑ’ሎ። ብዙሓት ድማ ምስቲ ህቡብ ሰውራዊ ተቓላሲ ቡርኪናፋሶ ቶማስ ሳንካራ ከነጻጽርዎ ጀሚሮም ኣለው። እዚ ኸኣ ኣብታ ንዓሰርተታት ዓመታት ሕጊ ተረጊጽዋ ፖለቲካዊ መድሕን ክመጽኣ ክተቋምት ዝጸንሐት ሃገር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መራሒ በሎኽ ኢሉ እንተመጽአ ዘገርም ኣይኰነን። “ኢብራሂም ትራኦረ፡ ኣቐዲሙ ድሕሪ ዝተኻየደ ዕልዋ፡ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ብኻልእ ዕልዋ መሪሕነት እታ ሃገር መንዚዑ’ሎ፣ እዚ ኸኣ ምስ ኣመጻጽኣ ቶማስ ሳንካራ ዝመሳሰል እዩ። ክልቲኦም ብዕድመን ማዕርግን’ውን ይመሳሰሉ እዮም፣ ካፕተናትን ደቂ 34 ዓመትን እዮም። እዚ ግን መቕይሮ መጻኢ እታ ሃገር ዝኸውን ምዕባለ ዶ ይኸውን?” ዋካታ ሴራ ዝተባህለ ብሕታዊ መርበብ ሓበሬታ ይሓትት።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c84y90lxd10o"} {"headline":"ሓኪም ሰራዊት ኣሜሪካን በዓልቲ ቤቱን ንሩስያ ብምስላይ ተኸሲሶም","content":"ሓደ ቀንዲ ሓኪም ሰራዊት ኣሜሪካን በዓልቲ ቤቱ ሲቪል ሓኪምን፡ ንመንግስቲ ሩስያ ሓበሬታ ንምሃብ ውዲት ኣሊምኩም ተባሂሎም ተኸሲሶም ኣለዉ ። እቶም ጃሚ ሊ ሄንሪን ኣና ጋብሪኤልያን ዝተባህሉ ሰባት ካብ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ኣሜሪካ ብዛዕባ እቶም ሕሙማት ምስጢራዊ ሓበሬታ ንኸካፍሉ ብምሕሳብ እዮም ተኸሲሶም። እቶም ዝተኸሰሱ መጻምድቲ ብሩስያዊ ሃገራውነት ከምዝተባብዑ፡ ንሓደ ወኪል ኤፍቢኣይ ከምዝነገርዎ ተሓቢሩ። እቶም ሰብ ሓዳር ግን ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ገና ዝሃብዎ ርእይቶ የሎን። ብሰበስልጣን ሩስያ እውን ብዛዕባ ክሲ እቶም ሰብ ሓዳር ሓካይም ዝተዋህበ ርእይቶ የሎን። ትማሊ ሓሙስ እቶም መጻምድቲ ኣብ ሜሪላንድ ከተማ ባልቲሞር ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ፡ ብዛዕባ ጥዕና ሕሙማት ወተሃደራት ሓበሬታ ክህቡ ውዲት ከምዝኣለሙ ክሲ ተመስሪትሎም ። እቲ ክሲ ዝመስረተሎም ኣኽባር ሕጊ፡ እቶም ሰብ ሓዳር፡ ንመንግስቲ ሩስያ፡ ምስ ወተሃደራት መንግስቲ ኣሜሪካ ምትሕሓዝ ዘለዎ ጥዕናዊ ኵነታት ውልቀ-ሰባት መረዳእታ ክህቡ ከምዝወጠኑ ይኸስስ። ሜጀር ሄንሪ ኣብቲ ኣብ ኖርዝ ካሮላይና ዝርከብ ፎርት ብራግ ዝበሃል ዓቢይ ወተሃደራዊ መደበር እዩ ዝዓዪ ነይሩ። እቲ ናይ ሕክምና መዝገብ ካብቲ ኣብ ፎርት ብራግ ዝርከብ ሆስፒታልን ካልእ መንነቱ ዘይተፈልጠ ትካል ሕክምናን ውልቃዊ ሕክምናዊ ሓበሬታ ንምርካብ ከምዝሓለነ ከኣ እቲ ክሲ የመልክት። ዶክተር ጋብሪኤልያን ከኣ ኣብ ባልቲሞር ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ጆን ሆፕኪንስ ትሰርሕ ነይራ። ሩስያ ንዩክረይን ድሕሪ ምውራራ፡ ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ኣብ ዋሽንግተን ንዝርከብ ኤምባሲ ሩስያ ሓገዝ ሂባ ነይራ እውን ተባሂላ። ኣብ መፋርቕ ነሓሰ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ኤምባሲ ሩስያ እየ ዝሰርሕ ብምባል ቀሪቡዋ ነይሩ። እቲ ሰብ ከኣ ወኪል ኤፍቢኣይ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ኣኼባ፡ ነቲ ወኪል ኤፍቢኣይ ዋላ እውን ካብ ስራሕ ክትስጐግን ናብ ማእሰርቲ ክትኣቱን ትኽእልን እንተዀነት ምእንቲ ሃገራውነታ፡ ንሩስያ፡ ኵሉ እትኽእሎ ዘበለት ክትሕግዝ ከምእትደሊ ከምዝሓበረቶ እቲ ክሲ የመልክት። ንሰበይቲ እቲ ወኪል እውን ናብቲ ውዲት ከተእትዋ ከም ዝሓሰበትን፡ ከምኡ'ውን ኣሜሪካ ንወተሃደራት ዩክረይን ንምሕጋዝ ከመይ ገይራ ተሰልጥኖም ከም ዘላ ሓበሬታ ከምዘለዋን ነቲ ወኪል ከምዝሓበረቶ ትኽሰስ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ዝተገብረ ካልእ ኣኼባ፡ ሜጀር ሄንሪ ንሰበይቲ 'ቲ ወኪል ኤፍቢኣይን ኵሉ ነገር ብሰንኪ ሃገራዊ ስምዒታ ከምእትገብሮን ክሳብ ናብ ሰራዊት ሩስያ ብወለንታ ክትጽንበር ከምእትሓስብን ሓቢርዎ። ዶ\/ር ጋብሪኤልያን ነቲ ንሳን ሰብኣያን ዝተኸሰስሉ፡ ንውዕል መድሕን ጥዕና ዝምልከት ኣዋጅ ግዴታታትን ተሓታትነት ግን ከምዘይጠሓሰቶ እያ ትዛረብ። ይዅን እምበር፡ ኣብ ነሓሰ እተወሰነ ሓበሬታ ከምዝሃበት እያ ትኽሰስ። ሜጀር ሄንሪ፡ እቲ ሰራዊት ኣብ 2015 ስማን ጾታኣን ብወግዒ ክትቅይር ፍቓድ ዝሃባ፡ ኣብ ንጡፍ ወተሃደራዊ ስራሕ እትርከብ እያ። እቲ ፍቓድ ምስ ረኸበት ከኣ ኣብታ ዓመት እቲኣ ምስ መጻምድቱ ተመርዕዮም።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cz9nzdrr8q1o"} {"headline":"ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ግንባር ዓውደ ኵናት","content":"ሩስያዊ ጉጅለ ዋግነር ኣብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ንዝተቐየዱ ሰባት ሓራ ኣውጺኡ ኣንጻር ሰራዊት ዩክረይን ናብ ዝግበር ኵናት ይምልምሎም ከምዘሎ ዝተኣመነሉ ቪድዮ ሸሊኹ ወጺኡ። ንሱ ነቶም እሱራት ካብ ዝሃቦም መምርሒ ቁጽሪ ሓደ ሓጥያት ካብ ኵናት ጠሊምካ ምህዳም'ዩ ኢሉ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ce5m2gmk03no"} {"headline":"ኣሜሪካ፡ ንጐበጣ ሩስያ ኣፍልጦ ከምዘይትህብ ባይደን ተዛሪቡ","content":"ኣሜሪካ፡ ሩስያ ግዝኣት ዩክረይን ንምጉባጥ እትገብሮ ንዘላ ፈተነ “ፍጹም፡ ፍጹም፡ ፍጹም” ኣፍልጦ ኣይትህብን ክብል ባይደን ተዛሪቡ። ሎሚ፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ብዛዕባ እተን ናብ ሩስያ ዝጽንበራ ዘለዋ ኣርባዕተ ዞባታት ዩክረይን መግለጺ ክህብ’ዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር። ሩስያ፡ እተን ግዝኣታት ዩክረይን ዝዀና ሉሃንስክ፡ ዶነትሰክ፡ ዛፖሪዝዚያን ሄርሶንን ኣብ ቀረባ ኣብ ዝተኻየደ ህዝበ ውሳነ ናብ ሩስያ ክሕወሳ ከም ዝመረጻ ትገልጽ። ዩክረይን ኰነ ሃገራት ምዕራብ ግን እቲ መረጻ ኣይቅበላኦን። ብምኽንያት እዚ ጐበጣ ድማ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ሓደስቲ እገዳታት ክትገብር እያ። “ኣብዚ ግልጺ ክኸውን እደሊ’የ፤ ኣሜሪካ፡ ነቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ዩክረይን እተቕርቦ ዘላ ጠለብ ፈጺማ፡ ፈጺማ፡ ፈጺማ ኣፍልጦ ኣይትህቦን” ክብል ባይደን ተዛሪቡ። ፕረዚደንት ፑቲን ብሓሙስ፡ ዛፖሪዚዝያን ሄርሶንን ርእሰን ዝኽኣላ ግዝኣታት ምዃነን ዝገልጹ ክልተ ኣዋጃት ፈሪሙ። እዚ ድማ ሩስያ ነተን ዞባታት ንክትጐብጠን መገዲ ዝኸፍት’ዩ ይበሃል። እቶም ብማዕከናት ዜና ሩስያ ዝተፈነው ሰነዳት፡ ናጽነት እተን ክልተ ዞባታት ንዓለምለኻዊ ሕግን “ድንጋገ ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን” መሰረት ገይሩ ኣፍልጦ ዝረኸበ’ዩ ይብሉ። ይዅን’ምበር፡ ዋና ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተረስ እቲ ጐበጣ ቻርተር እቲ ውድብን ዓለምለኻዊ ሕግን ብምድፋእ ብሓይሊ ዝተፈጸመ’ዩ ኢሉ። እዚ ድማ፡ “ኣብዚ ዘመናዊ ዓለም ቦታ ዘይብሉ፡ ሓደገኛ ምዕራግ” እቲ ኵነታት ምዃኑ ገሊጹ። ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶሃን ምስ ፑቲን ብቴሌፎን ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ’ውን ብዛዕባ እቲ መደብ ዘለዎ ተቓውሞ ገሊጹ። ፑቲን፡ ወጥሪ ክቕንስን ምስ ዩክረይን ንዝግበር ዝርርብ ሰላም ካልኣይ ዕድል ንኽህብ ከም ዝሓበሮ ወሃቢ ቃል አቲ ፕረዚደንት ሓቢሩ። ቱርኪ ምስ ሕቡራት ሃገራት ብምዃን ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝግበር ዝነበረ ዝርርባት ክተማእክል ጸኒሓ እያ። በዚ ድማ፡ ቅድም ኢሉ ብጸሊም ባሕሪ ኣቢሉ ሰደድ ስርናይ ክግበር ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሓ ይዝከር። ሩስያ፡ ብ2014’ውን ንክረሚያ ከም ዝጐበጠታ ይፍለጥ። መብዛሕትኡ ማሕበረሰብ ዓለም ግን ኣፍልጦ ኣይሃቦን። እንተዀነ፡ ሃገራት ምዕራብ ዝበላ እንተበላ፡ ክልተኡ ባይቶ ሩስያ፡ እታ ሃገር ነቲ ሕጂ ወሲዳቶ ዘላ ስጉምቲ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ከጽድቘ’ዩ። ፑቲን፡ እተን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሩስያ ዘለዋ ዞባታት ዩክረይን ብምጉባጥ፡ ግዝኣት ሩስያ ብሰንኪ ኣጽዋር ምዕራብ ኣብ ሓደጋ ኣትዩ እዩ ብምባል፡ ኣመሓደርቲ እተን ዞባታት ካብ ኪቭ ዝመጽእ ወተሃደራዊ ሓገዝ ደው ከብልዎ ትጽቢት ይገብር። ኪቭ ግን፡ እዚ ነቲ ኣብ ዓውደ ውግእ ዘሎ ኵነታት ኣይቕይሮን ትብል። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብተን ሕጂ ኣብ ኢድ ሩስያ ዝርከባ ኣርባዕተ ዞባታት ኣዝዩ ኣካታዒ ህዝበ ውሳነ ተኻይዱ። ሩስያ፡ እቲ መረጻ ፍትሓዊ ከም ዝነበረን ናብ ሩስያ ንምጽንባር ከም ዝመረጻን ትገልጽ። ይዅን’ምበር፡ ነዚ ዝዕዘብ ዘይሻራዊ ኣካል ኣይነበረን።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cydezv0rj2jo"} {"headline":"መራሕቲ ዓለም ብሞት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ዝተሰምዖም ሓዘን ይገልጹ","content":"መራሕቲ ዓለምን ዓበይቲ ሰባትን፡ ኣብ መበል 96 ዓመተን ንዝዓረፋ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ዘለዎም ክብሪ ይገልጹ'ለዉ። እቶም መራሕቲ፡ እተን ንግስቲ ንዝነበረን ዓሚቝ ስምዒት ሓላፍነትን ጽንዓትን ከምኡ’ውን ተዋዛይነትን ልግስን ዘለዎም ክብሪ ይገልጹ። ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ “መሓዛ ፈረንሳ” ዝነበራ “ለዋህ ዝልበን ንግስቲ” ክብል ሓዘኑ ገሊጹ። ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ምስተን ንግስቲ ዝተራኸበ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ብወገኑ፡ ዘመነ ንግስነት እተን ንግስቲ “ብጸጋ፡ ብግርማን ዘይደክም ስነምግባር ስራሕን” ንዓለም ማሪኸን እየን ኢሉ። ንፈለማ እዋን ቅድሚ 40 ዓመት ረኺብወን ዝነበረ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብግደኡ፡ “ካብ ንግስና ንላዕሊ - ንዘመን ዝገልጻ” እየን ክብል ሓቢሩ። ኣብ 2021 ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝነበሮ ምብጻሕ ብምዝኽኻር ድማ፡ “ብብልሐን ማሪኸናና፣ ብሕያውነተን ኣለዓዒለናና፣ ጥበበን ክኣ ኣካፊለናና” ኢሉ። ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ ኣብ ግዜ ንግስነተን ምስ 13 ፕረዚደንትታት ኣሜሪካ ተራኺበን። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ “ንጽቡቕ ምሕዝነት፡ ዓቢይ ጥበብን ዘደንቕ ክእለት ዋዛን ግርማዊት ፈጺመ ኣይርስዖን” ኢሉ። ትራምፕ፡ 'ትሩዝ ሶሻል' ኣብ ዝተባህለ ማሕበራዊ ሚዲያኡ ኣብ ዘስፈሮ መልእኽቲ፡ “ኣዝየን ፍልይትን ምልክዕትን ሰብ ነይረን፤ ከምአን ዝበለ ሰብ የለን” ክብል ገሊጹ። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ጆርጅ ደብሊው ቡሽ ክኣ፡ ኣብ ግዜኡ ምስተን ንግስቲ ዘሕለፎ ናይ ሻሂ ሰዓታት ብምዝካር ግርማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ “ዓባይ ሊቅ፡ ማራኺትን በላሕን” ነይረን ኢሉ። ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ ኣብ ዘመን ንግስናአን ምስ 12 ቀዳሞት ሚኒስተራት ካናዳ ተራኺበን እየን። ቀዳማይ ሚኒስተር ጀስቲን ትሩዶ፡ “ንካናዳውያን ግልጺ ዝዀነ ዓሚቝን ዘላቕን ፍቕሪ” ነይሩወን ይብል። “ኣብ ውሽጢ እዚ ዝተሓላለኸ ዓለም፡ ድልዱል ጸጋአንን ውሳነአንን ንዅላትና መጸናንዒ ሂቡና’ዩ” ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር “ሓላይት፡ ጥበበኛ፡ ባህጊ ምፍላጥ ዝነበረን፡ ሓጋዚት፡ ተዋዛይትን ካልእን” እየን ነይረን ኢሉ። ትሩዶ ሕንቕንቕ እናበለ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኣብ ዓለም ሓንቲ ካብቶም ዝፈትዎም ሰባት ነይረን፤ ክናፍቐን እየ” ኢሉ። ኣብ ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ ሓዊሱ ባንዴራ ዝተፈላለያ ሃገራት ትሕት ኢሉ’ዩ ተሰቒሉ'ሎ። ፕረዚደንት ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ ኡርሱላ ቮን ዴር ሌይን፡ ናይተን ንግስቲ፡ “ንዕአን ብሓቂ ኣገዳሲ ኰይኑ ዝጸንሐ ተደናጋጽነትን ምስ ኵሉ ወለዶ ናይ ምትሕውስዋስ ክእለትን ኣብነት ሓቀኛ መሪሕነት’ዩ” ኢላ። ሓምሻይ ወዲ ሓውኣቦ እተን ንግስቲ ዝዀነ ንጉስ ኔዘርላንድ ዊለም-ኣሌክሳንደር፡ ንሱን ንግስቲ ማክሲማን፡ “ኣብ ውሽጢ ዓሚቝ ክብርን ፍቕርን፡ ንጽኑዕን ጥበበኛን ንግስና” ንዝክር ኢሉ። ናይ ርሑቕ ዘመድ ዝዀነ ንጉስ ስዊድን ካርል 16 [XVI] ጉስታቭ ብወገኑ፡ “ወትሩ ቤተሰበይ ዝፈትዋን ኣብ ሓበራዊ ታሪኽ ቤተሰብና ዓባይ መተኣሳሰሪትን” ዝነበረት ንግስቲ እያ ክብል ገሊጹ። ንጉስ ቤልጅም ፊሊፕን ንግስቲ ማቲልዴን ክኣ “ፍሉይ ስብእና  . . . ኣብ ዘመን ንግስንአን ክብሪ፡ ሓቦን ውፍይነትን ዘርኣያ” ኢሎም። ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ዝገርም ዋዛአን ከም ዝዝክር ብምግላጽ፡ “ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ መንጐ ጀርመንን ኢንግሊዝን ዕርቂ ክወርድ ዝነበረን ተወፋይነት ፈጺሙ ኣይርሳዕን” ኢሉ። ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ድማ፡ ንኽልተ ሰሙን ኣብ ንግስና ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት ምስተን ንግስቲ ዘይርሳዕ ግዜ ከም ዘሕለፈ ተዛሪቡ። “ሕያዋይነተን ፈጺመ አይርስዖን። ኣብ ሓደኡ ኣኼባና፡ ማህተማ ጋንዲ ኣብ መርዓአን ዝሃበን መንዲል ኣርእየናኒ። እዚ ዝኽሪ ወትሩ ኣብ ልበይ ከሕድሮ’የ” ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። ንጉስ ስዑድ ዓረብ ሳልማን ከምኡ’ውን ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን እውን መልእኽቲ ሓዘኖም ሰዲዶም። “ኣብ ውሽጢ ታሪኽ ዘይጠፍእ መርኣያ መሪሕነት ነይረን” ክብል ንጉስ ሳልማን ገሊጹ። ፕረዚደንት ኣየርላንድን ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን’ውን ብተመሳሳሊ ብሞት እተን ንግስቲ ዝተሰምዖም ሓዘንን ዝኽርን ገሊጾም። ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ ንሰብዓ ዓመታት ኣብ ንግስና ጸኒሐን። እተን ንግስቲ 16 ግዜ ኣብ ኣውስትራሊያ ምብጻሕ ገይረን እየን። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ፡ ብዘይብእአን ብዙሓት ዓለም ኣይምለፈጡዋን ኢሉ። “ዓውዓውታን ዕግርግርን ኣብ ዘለዎም ዓመታት፡ ንሰን ግዜ ዘየህስሶ ጭውነትን ስኽነትን ኣርእየን” እየን ክብል ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ። ወሲኹ፡ “ምሳና ጽቡቕ ግዜያት ኣኽቢረን፤ ኣብ ሕማቕ ግዜ’ውን ኣይተፈለያናን። ሕጕስቲ፡ ምዕርግትን ጽንዕትን” ኢሉ። ፕረዚደንት እስራኤል ኢሳቅ ሀርዞግ፡ እተን ንግስቲ ኣብ ዘመነ ንግስናአን ብዙሕ ለውጥታት ከም ዝርኣያ ብምግላጽ፡ “ምልክት ህዱእ፡ ሓላፍነታዊ መሪሕነትን ሞራል፡ ሰብኣውነትን ፍቕሪ ሃገርን ነይረን” ክብል ተዘክሮኡ ገሊጹ። ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ናብ እስራኤል ከይደን ኣይፈልጣን። ልኡል ቻርለስ፡ ኤድዋርድ፡ ዊልያምን ኣደኡ ኣብ እየሩሳሌም ዝተቐብረት ልኡል ፍሊፕን ናብታ ሃገር ምብጻሕ ገይሮም ይፈልጡ’ዮም። “ንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ታሪኸኛ ሰብ ነይረን፤ ኣብ ታሪኽ ነቢረን፣ ታሪኽ ሰሪሐን። ድሕሪ ሕልፈተን’ውን ኣዝዩ ዘደንቕን ምልዕዓል ዝፈጥርን ውርሻ ገዲፈን” ክብል ፕረዚደንት ሀርዞግ ጽሒፉ። ምስተን ንግስቲ ብዙሕ ግዜ ዝተራኸበን ኣብ ሓደ እዋን ን14 ደቓይቕ ኣጸብዩወን ዝበሃልን ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ መግለጺ ሓዘኑ ናብ ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ ልኢኹ። “ኣብ ውሽጢ ናይ ቀረባ ታሪኽ ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝበሃሉ ክስተታት ዓባይ ብሪጣንያ ካብተን ግርማዊት ፈሊኻ ዝርኣዩ ኣይኰኑን። ንብዙሓት ዓሰርታት ዓመታት ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ካብ ኣገልገሎተን ኣብ ዓለም ድማ ከም መራሒት ፍቕርን ክብርን ረኺበን እየን” ክብል ኣብ መልእኽቱ ኣስፊሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሩስያ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር፡ ብሪጣንያ ሓዊሱ ሃገራት ምዕራብ ቍጠባዊ እገዳ ኣንቢረናላ ይርከባ። ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ዓሚቝ ሓዘን ከም ዝተሰምዖ ብትዊተር ገሊጹ። መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ -መብዛሕትኦም ‘ኮመንወልዝ’ ተባሂለን ዝፍለጣ ሃገራት’ውን፡ ብሞት እተን ንግስቲ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም ኣለዉ። ተመራጺ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፡ “ንታሪኻዊ ውርሻአን” ንኢዱ። ኬንያ፡ ግዝኣት እንግሊዝ ዝነበረት ኰይና ብ1963 እያ ናጽነታ ረኺባ። እተን ንግስቲ ድማ ኬንያ ኣዝየን ዝፈትዋኣ ሃገር እያ። ክጅመር እንከሎ፡ ኣብኡ እየን ንግስቲ ኰይነን። ሽዑ፡ ጓል 25 ዓመት ዝነበራ እተን ልእልቲ ንዕረፍቲ ናብ ኬንያ ኣብ ዝመጽኣሉ ግዜ ኣቦአን ንጉስ ጆርጅ ሻድሻይ ኣብ ድቃሶም እንከለዉ ብ1952 ሞይቶም። ፕረዚደንት ጋቦን ዓሊ ቦንጐ ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ጋና ናና ኣኩፎ-ኣዶ’ውን ብተመሳሳሊ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም። “ንግስቲ ኤልሳቤጥ መሓዛ ኣፍሪቃ ነይረን፤ ኣፍሪቃ እውን ንዓአን ዝነበራ ፍቕሪ ኣርእያ’ያ” ክብል ዓሊ ቦንጐ ገሊጹ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cj5q9pvpr0ro"} {"headline":"ፕረዚደንት ዩክረይን፡ ሓደጋ መኪና ኣጋጢምዎ","content":"ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሓደጋ መኪና ከም ዘጋጠሞ፡ እንተዀነ ማህረምቱ ከቢድ ከም ዘይኰነ ኣፈኛኡ ኣፍሊጡ። ኣብ ኪቭ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር፡ ኣብ ጐደና ትጕዓዝ ዝነበረት መኪና፡ ነታ ፕረዚደንት ምስ ዓጀብቱ ዝነበርዋ መኪና ከም ዝገጨውት፡ ኣፈኛኡ ሰርጊ ኒኪፎሮቭ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር መልእኽቲ ሓቢሩ። ሰርጊ፡ “እቲ ፕረዚደንት ብሓኪም መርመራ ተገይሩሉ፣ ዝዀነ ከቢድ ማህረምቲ የብሉን፡” ኢሉ። መራሕ ናይታ ምስ መኪና ፕረዚደንት ዝተጋጨወት መኪና፡ ኣብቲ ቦታ ሓደጋ ቀዳማይ ረዲኤት ተገይሩሉ፣ ብኡ ንብኡ ብኣምቡላስ ተወሲዱ። ኣፈኛ ሰርጊ ኒኪፎሮቭ ከም ዝገለጾ፡ ኵሉ ኵነታት እቲ ሓደጋ ብሰብ መዚ ምኽባር ሕጊ ዘድሊ ምጽራይ ክግበረሉ እዩ፤ እቲ ኣፈኛ፡ ክንዮ'ዚ ግን ዝርዝር ሓበሬታ ‘ቲ ሓደጋ ኣይሃበን። እዚ ዝግለጽ ዘሎ፡ ወዲ 44 ዓመት ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ኣብታ ቀንዲ ማእከል ሎጀስቲክስ ሰሜናዊ ምብራቕ ዩክረይን ዝዀነት ኢዝዩም፡ ብሓይልታቱ ዳግማይ ድሕሪ ምትሓዛ፡ ብረቡዕ ድሕሪ ዘካየዶ ዑደት እዩ። ዘለንስኪ ኣብ ዑደቱ፡ ነቶም ኣንጻር ሓይልታት ሩስያ ንዝተኻየደ ጸረ-መጥቃዕቲ ዘዐወቱ ወተሃደራቱ ድሕሪ ምምስጋን፡ ጽንብል ምስቃል ባንዴራ ኣካይዱ። ካብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት፡ ሓይልታት ዩክረይን ኣብቲ ብሩስያ ተታሒዙ ዝጸንሐ ግዝኣታት ጸረመጥቃዕቲ ብምክያድ፡ ሓያለ መሬት ከም ዘምለሱን፡ ወተሃደራት ሩስያ ከም ዘንሰሓቡን ክግለጽ ቀንዩ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ሓይልታቱ ጸረ-መጥቃዕቶም ብምሕያል፡ ካብ ሩስያ ሓያለ ቦታታት ከምዝተቘጻጸሩ ምግላጹ ይዝከር። ዘለንስኪ፡ ወተሃደራት ሃገሩ ኣብዚ ወርሒ መስከረም ጥራይ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሩስያ ካብ ዝጸንሐ ቦታታት ምብራቕን ደቡብን ዩክረይን፡ ልዕሊ 6 ሽሕ ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዝስፍሓቱ ከባቢታት ዳግማይ ከም ዘምለሱ ሓቢሩ ነይሩ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c2q41wrelz7o"} {"headline":"ሩስያ ኣብ ሃገራት ጣልቃ ንምእታው 300 ሚሊዮን ዶላር ኣውጺኣ- ኣሜሪካ","content":"ሩስያ፡ ካብ 2014 [ኣ. ኣ.] ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ 24 ሃገራት ፖለቲከኛታት ንምጽላው ብሕቡእ ልዕሊ 300 ሚልዮን ዶላር ኣውጺኣ ክትብል ኣሜሪካ ከሲሳ። ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ እቲ ክሲ ብሰሉስ ወግዓዊ ኣብ ዝዀነ መረዳእታ ስለያ ኣሜሪካ ዝተመርኰሰ ምዃኑ ገሊጹ። ላዕለዋይ በዓል መዚ ምምሕዳር ፕረዚደንት ባይደን፡ “እዚ ፍንጫል እቲ ከውሒ በረድ’ዩ ኢልና ኢና ንሓስብ” ኢሉ። ሩስያ ክሳዕ ሕጂ ኣብዚ ጉዳይ ዝሃበቶ ርእይቶ የለን። እንተዀነ፡ ሩስያ’ውን ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ሃገራት ወጻኢ ጣልቃ ትኣቱ ኣላ ክትብል ክትከሳ ጸኒሓ እያ። ትካል ስለያ ኣሜሪካ፡ “እዚ ኣሃዝ ንእሽቶ ምዃኑ እዩ ዝግምግም፤ ምናልባት ሩስያ ኣብ ዘይተፈልጡ ጉዳያት ተወሳኺ ገንዘብ ብሕቡእ ኣሰጋጊራ ትኸውን እያ፡” ክብል እቲ በዓል መዚ ተዛሪቡ። እዚ ውልቀሰብ፡ ሽሙ ክጥቀስ ኣይደለየን። ገምጋም ትካል ስለያ ኣሜሪካ፡ ዝርዝር እተን ሩስያ ኢዳ ኣእትያትለን እያ ዝበለን ሃገራት ወይ ሰብ መዚ ኣይጠቀሰን፤ ግን ኣብ ኣርባዕተ ኣህጕራት ዝርከቡ’ዮም ኢሉ። በዚ መሰረት፡ ክኢላታት ስለያ ኣሜሪካ ብውልቂ ምስ ዝተሓረያ ሃገራት ይዘራረቡ ኣለው። እዚ፡ ሚስጢራዊ ከም ዝኸውን እቲ ርእይቶ ዝሃበ በዓል መዚ ገሊጹ። ካልእ ምንጪ ምምሕዳር ኣሜሪካ፡ ሩስያ ኣብ 2017 ኣብ ኣልባንያ ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ንማእከላይ-የማናዊ ሰልፊ ዲሞክራቲክ ንምሕጋዝ 500 ሽሕ ዶላር ወጻኢ ከም ዝገበረት ገሊጹ። ብተወሳኺ፡ ከም ጸብጻብ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ እንተዀይኑ፡ ኣብ ቦስኒያ፡ ሞንተኔግሮን ማዳጋስካርን ዝርከቡ ሰልፍታት ወይ ሕጹያት ሓጊዛ እያ ይብል። እቲ ምንጪ፡ ክረምሊን ሕጹያት ሕሉፋት-የማናውያን ንምድጋፍ፡ ብራስለስ ከም ማእከል ትካላትን ካልኦት ግንባራትን ገይራ ተጠቒማትላ እያ ኢሉ። ኣብዚ፡ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣውሮጳ ብገንዘብ ንምሕጋዝን ጽልዋ ንምፍጣርን ዝተማህዛ ኩባንያታት ከም ዝነበራ ይጠቅስ። ሰብ መዚ ሩስያ፡ ነቲ ኣሜሪካ እተቕርቦ ዘላ ክስታት ኣመልኪቶም ዝሃቡዎ ወግዓዊ ርእይቶ የለን። እንተዀነ ኣቐዲማ፡ ትካል ስለያ ኣሜሪካ - ሲኣይኤ፡ ዕልዋታት መንግስቲ ምድጋፍ ሓዊሱ ኣብ ጉዳይ ዝተፈላለያ ሃገራት ጣልቃ ኣትዩ እዩ ብምባል ነቒፋ ነይራ። ተመራማሪ ዩኒቨርሲቲ ካርኔጅ ምሎን ዶቭ ሌቪን ዝኣከቦ መረዳእታ ከም ዝብሎ፡ ኣሜሪካ ካብ 1946 ክሳብ 2000 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ንልዕሊ 80 ግዜ ኣብ ጉዳይ ካልኦት ሃገራት ጣልቃ ኣትያ እያ። እዚ ዕልዋታትን ፈተነ ለውጢ ስርዓታትን ዝሓወስ ኣይኰነን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሰብ መዚ ስለያ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ንዶናልድ ትራምፕ ደጊፉ ኣብ መረጻ 2020 ጽልዋ ንምግባር ፈተነ ገይሩ’ዩ ኢሎም ነይሮም። ሩስያ፡ እቶም ክስታት “መሰረት ዘይብሎም” ክትብል ትነጽጐም።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv210j2w4kwo"} {"headline":"\"ንህይወተይ ቀቢጸያ ኔረ\" ዩክሬናዊ","content":"ዩክረይን ኣብ ሓጺር ግዜ ልዕሊ 6,000 ትርብዒት ኪሜ ናይ ግዝኣታ ከም ዘምለሰት ብምግላጽ ኣብቲ ኲናት ዓወታት ተመዝግብ ምህላዋ ትሕብር። ሩስያ ከም ግብረ መልሲ፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር፡ ንመሰረታዊ ትሕተ ቅርጺ ተጥቅዕ ከምዘላን፡ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ሓይሊ ኤለክትሪክ ምሉእ ብምሉእ ከምዝተቋረጸን ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ይከስስ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ceql5p73g9do"} {"headline":"ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሻቐለሉ ዘሎ ኒዩክለራዊ ትካል ዩክረይን ዝተቛረፀ ኤለክትሪክ ተመሊሱ","content":"ኣብ ዩክረይን ዝርከብ መብላዕልዒ ኒኩሌር ዛፖሪዝዝያ ካብ ሃገራዊ መከፋፈሊ ሓይሊ ኤሌትሪክ ፅዓት ክረክብ ከምዝጀመረ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ጠማቲ ኒኩሌር ኣፍሊጡ። ብሰንኪ ዝተተኮሰ ከቢድ ብረድ ናብቲ ከባቢ ዝሓልፍ መስመር ሓይሊ ኤሌትሪክ ዓንዩ’ዩ። እቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ሩስያ ዝርከብ ትካል ዝተመሓየሸ ኮይኑ እንተኾነ ግን ሓደገኛ ኮይኑ ከምዝቐጸለ ተቖጻጻሪ ኒኩሌር ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ጉጅለ ሰብ ሞያ ኒኩሌር ሕቡራት ሃገራት ናብቲ ካብ ኤውሮፓ ዝዓበየ ትካል ኒኩለር ዛፖሪዝዝያ ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ተጓዒዞም ከምዝነበሩ ይዝከር። ዩክረይን ኮነ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብቲ ከባቢ ደብዳብ ምክያዱ ስዒቡ ውሑስ ምርመራ ክግበር ተደጋጋጋሚ ጻዊዒት ብምግባሮም’ዩ እቶም ሰብ ሞያ ናብቲ ከባቢ ዝኸዱ። ሩስያን ዩክረይንን ኣብቲ ከባቢ ንዝተፈጸመ ደብዳብ ነንሓድሕደን ክካሰሳ ይረኣያ። እቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት መደብራት ኒኩሌር ዝቖጻጻር ትካል ሓንሳብ ምብጻሕ ምስኣካየደ ነቲ ኩነታት ንምዕዛብ ኢሉ ኣብቲ ከባቢ ብቐዋምነት ከምዝዝጸንሕ ኣፍሊጡ’ዩ። እቶም ሰብ ሞያ ካብቶም ኣርባዕተ ብደብዳብ ከቢድ ብረት ዓንዮም ዝነበሩ ዓንድታት ተቐበልቲ ሓይሊ ኤሌትሪክ እቲ ሐደ ጽገና ተገይርሉ ካብ ሃገራዊ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌትሪክ ጽዓት ክቕበል ከምዝጀመረ ትማሊ ቀዳም ገሊፁ። ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ናይ ጅምላ መቓብር ስለዝተረኸበ መሪሕነት ኤውሮፓዊ ሕብረት ኣብቲ ከባቢ ብዛዕባ ዝተፈጸሙ ገበናት ኵናት ምርመራ ክግበር ዓለም ለኻዊ ጻዊዒት ኣቕሪቡ’ሎ። ሓይልታት ሩስያ ኣዝሊቖም ኣብ ቁጽጽር ሰራዊት ዩክረይን ዝኣተወ እቲ ከባቢ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣስከሬናት ተረኪቦም’ዮም። መብዛሕቲኦም ድማ ሰላማውያን ኮይኖም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ከምዝርከብዎም ተፈሊጡ። ዩክረይን ኣብቲ ከባቢ ገበናት ኵናት ከምዝተፈጸመ እያ እትኣምን። ንኤውሮፓዊ ሕብረት ብግዝያዊነት ዝመርሕ ዘሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቸክ ሪፐብሊክ ጃን ሊፓቪስኪ “ኣብ መበል 21 ከፍለዘበን ከምዚ ዓይነት ኣብ ልዕሊ ሰለማዉያን ሰባት ዘቕንዐ መጥቃዕቲ ዘይሕሰብ’ዩ” ኢሉ። ንሱ ኣስዒቡ “ነቲ ብወራር ዝተፈጸመ ገበን ዘጽንዕ ዓለም ለኻዊ ጉጅለ ብቕልጡፍ ክጣየሽ ይጽውዕ። እቶም ገበናት ኵናት ዝፈጸሙ መቅጻዕቶም ክረኽቡ ብሓንሳብ ደው ክንብል ኣሎና” ኢሉ። ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሩስያ እትሕግዞም ተነጸልቲ ሓይልታት እትርከብ ዶኔቴስክ ኵናት ተጎሃሂሩ ዝቐጸለ ኮይኑ ብሰንኪ ደብዳብ ሓይልታት ዩክረይን ኣርባዕተ ሰባት ከምዝሞቱ ናይቶም ተነጸልቲ ሓይልታት ከንቲባ እታ ከተማ ኣፍሊጡ። ብኣንጻሩ ብዩክረይን ዝተመደብ ኣመሓዳሪ እታ ግዝኣት ድማ ሓይልታት ሩስያ ብዝፈጸምዎ ደብዳብ ከቢድ ብረት ቀረብ ማይ ከምዝትቛረጸ ከሲሱ። ሓይልታት ምክልኻል ዩክረይን ኣንጻር ሓይልታት ሩስያ ዝጀመርዎ ጸረ መጥቃዕቲ ኣሐይሎም ከምዝቐጸልዎ ሚኒስትሪ ሓይልታት ምክላኻል ዓባይ ብሪጣንያ ገሊጹ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c727xnp0nx5o"} {"headline":"ዩክረይን፡ 6 ሽሕ ትርብዒት ኪ.ሜ መሬታ ከምዘምለሰት ትገልጽ","content":"ሓይልታት ዩክረይን ፀረ-መጥቃዕቶም ኣብ ዝቕጽሉሉ ዘለዉ እዋን፡ ካብ ሩስያ ተወሰኽቲ ቦታታት ከምዝተቘጻጸሩ ፕረዚደንት እታ ሃገር፡ ቮሎድሚር ዘለንስኪ ገሊፁ። ዘለንስኪ፡ ወተሃደራት ሃገሩ ኣብዚ ወርሒ መስከረም ጥራይ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሩስያ ዝጸንሐ ቦታታት፡ ኣብ ምብራቕን ደቡብን ክፋላት ልዕሊ 6 ሽሕ ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዝስፍሓቱ ከባቢታት ዳግማይ ከም ዝመንዝዑ ሓቢሩ። ቢቢሲ ነዚ ኣሃዛት'ዚ ከረጋግጾ ኣይክኣለን። ሩስያ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዞባ ካርኪቭ ዝርከባ ወሰንቲ ከተማታት ከም ዝሰኣነት ተኣሚና ኣላ። እዚ ድማ ገለ ወተሃደራዊ ክኢላታት ከምዝበልዎ፡ ኣብ ኲናት ዘይተሓሰበ ከጋጥም ዝኽእል ክስተት እዩ። ሩስያ ሰራዊታ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ካብቲ ዞባ ምውጽኡ፡ ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ኣብ ዝርከባ ዞባታት ሉሃንስክን ዶነስክን ንምትኳር ዝዓለመ፡ \"ዳግመ ምውዳብ\" ክትብል ትገልጾ። እዚ ኣገላልፃ ግን ኣብ ሩስያ ከይተረፈ ንላግፂ ዝተቓልዐ ኰይኑ’ሎ፤ ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ነቲ ዝተገልጸ ምንስሓብ ሰራዊት \"ዘሕፍር\" ክብሉ ገሊጾምዎ ኣለዉ። ቢቢሲ ትማሊ ምሸት ዘዘራረቦ፡ ሜሰን ክላርክ ዝተበሃለ ምሁር ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ትካል መጽናዕቲ ኲናት (Study of War- ISW)፡ እዚ \"ምሉእ ስዕረት\" ናይቶም ብዙሕ ኣጽዋር ገዲፎም ክሃድሙ ዝተገደዱ ሰራዊት ሩስያ ምዃኑ ገሊጹ። ጋዜጣ ቢቢሲ ጀምስ ዋተርሃውስ’ውን፡ እዚ፡ ሩስያ ካብቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ኪቭ ዘካየደቶ ፍሹል ወፍሪ ንደሓር፡ እቲ ዝዓበየ ትርጕም ዘለዎ ወተሃደራዊ ምንስሓብ ምዃኑ ሓቢሩ። ጸሓፊ ክፍሊ ጕዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓይልታት ዩክረይን ኣብ ዝፈነውዎ ጸረ-መጥቃዕቲ፡ \"ዓቢ ምዕባለ\" ከምዘርኣዩ እኳ እንተሓበረ፡ ውጽኢቱ ንምግማት ግን ግዚኡ ገና ከምዘሎ ተዛሪቡ። \"ሩስያውያን ኣብ ዩክረይን ኣዝዮም ወሰንቲ ዝዀኑ ሓይልታት ከምኡ'ውን መሳርሕታት፡ ኣጽዋርን ተተኮስትን ኣዋፊሮም’ዮም። ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ሓይልታት ዩክረይን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ልዕሊ ሲቪላትን ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጽን ብዘይ ኣፈላላይ ክጥቀሙሉ’ውን ርኢናዮም ኢና\" ኢሉ፡ ብሊንከን። ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ብ24 ለካቲት ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ክካየድ ምእዛዙ ዝዝከር ኰይኑ፡ ሩስያ ክሳብ ሕጂ ኣስታት ሓደ ሕምሲት ክፋል እታ ሃገር ሒዛ ኣላ። ፕረዚደንት ዘለንስኪ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ቪድዮ፡ \"ካብ መጀመርታ መስከረም ክሳብ ሎሚ፡ ተዋጋእትና ዛጊት ኣብ ምብራቕን ደቡብን ልዕሊ 6 ሽሕ ትርብዒት ኪሎ ሜተር መሬት ዩክረይን ሓራ ኣውጺኦም ኣለዉ\" ክብል ተዛሪቡ። \"ምንቅስቓስ ሰራዊትና ይቕጽል ኣሎ\" እውን ኢሉ። እቲ ጸረ-መጥቃዕቲ ቅልጡፍ ይመስል። ዝሓለፈ ሓሙስ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ሓይልታት ዩክረይን 1ሽሕ ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዳግማይ ከምዝሓዙ ምግላጹ ዝዝከር ኰይኑ፡ ክሳብ ሰንበት ድማ እቲ ዝተገልጸ ኣሃዝ ብሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ ናብ 3ሽሕ ትርብዒት ኪሎ ሜተር ከምዝበጽሐ ኣፍሊጡ። ዘለንስኪ፡ ኣብቲ ጸረ-መጥቃዕቲ ንዝተሳተፉ ሓያሎ ብርጌዳት ዩክረይን ብምምስጋን፡ \"ሓቀኛታት ጀጋኑ\" ክብል ንተቓለስቱ ሞጊሱ። ኣየኖት ከተማታትን ዓድታትን ዩክረይን ሓራ ከምዝወጽኡ ግን ኣይገለጸን። ሰራዊት ሩስያ ኣቐዲሙ ሓይልታቱ ካብተን ኣብ ዞባ ካርኪቭ ዝርከባ ወሰንቲ ከተማታት ባላክሊያ፡ ኢዝዩምን ኩፒያንስክን ምውጽኦም ተኣሚኑ ነይሩ። ሩስያ ኣብዚ እዋን ንእሽቶ ምብራቓዊ ክፋል ናይቲ ዞባ ጥራይ እያ ተቘጻጺራ ዘላ። ሰራዊት ዩክረይን ናብቲ ምስ ክረምያ ዝዳወብ ዞባ ደቡባዊ ከርሰን'ውን ይደፍእ ምህላዉ ይግለጽ። ሰበስልጣን ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሰራዊት ዩክረይን ኣብ ቀረባ እዋን ዘመዝገቦም ዓወታት፡ ኣብ ሓፈሻዊ ንድፊ ስርሒት ሩስያ \"ዓቢ ጽልዋ\" ከምዘለዎም ይገልጹ። ወሃቢ ቃል ዩክረይን ዲሚትሪ ፔስኮቭ፡ እቲ ኣብ ሃገሩ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒታት፡ \"ኵሉ እቲ ፈለማ ዝተቐመጠ ዕማማት ክሳብ ዝፍጸም\" ክቕጽል ምዃኑ ኣነጺሩ ኣሎ። ሩስያ፡ ሓይልታታ ኣብቶም ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ዩክረይን ዳግማይ ኣብ ዝተቘጻጸረቶም ከባቢታት መጥቃዕቲ ከካይዱ ከምዝጸንሑ ትገልጽ። ከንቲባ ከተማ ኢዝዩም ቫለሪ ማርቸንኮ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሰራዊት ዩክረይን ኣብ ከተማኡ ከምዘሎን ባንዴራ እታ ግዝኣት ከምዝተሰቐለን ሓቢሩ። ኣብዚ እዋን ሰራዊት ዩክረይን ነታ ብኲናት ዝተሃስየት ከተማ ኣብ ምጽራይ ከምዝተዋፈረን ገለ ሓይልታት ድማ ኣብ መንበሪ ገዛውቲ ክሕብኡ ንዝኽእሉ ወተሃደራት ሩስያ ይደልዩ ከምዘለዉን ተገሊጹ’ሎ። ማርቸንኮ ካብታ ከተማ ክሃድሙ ዝተገደዱ ነበርቲ ድሕሪ \"ኣስታት 10 መዓልታት ብሰላም\" ክምለሱ ከምዝኽእሉ ተዛሪቡ። ሩስያ ኣብ ዓውደ ኲናት ናይ ዘጋጠማ ዕንቅፋታት ሕነ ንምፍዳይ ሲቪላዊ ትሕተ-ቕርጺ ዒላማ ብምግባር ትኽሰስ ኣላ። ብሰንበት ዝተፈጸመ ማዕበላዊ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ኣብ መላእ ሰሜናዊ ምብራቕ ዩክረይን ሰፊሕ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምፍጣሩ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ነበርቲ፡ ንሓያሎ ሰዓታት ብዘይ መብራህትን ማይን ከጸንሑ ተገዲዶም።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cx9gx5k420ko"} {"headline":"መራሒ ሕብረት ሶቭየት ብዛዕባ ኣብያተ ብልዒ ኣሜሪካ ዝሰርሖ መወዓውዒ","content":"እቲ ናይ መወዳእታ መራሒ ሕብረት ሶቭየት፡ ሚኻይል ጎርቫቸቭ፡ ንዝሑል ኲናት መዛዘሚ ብምግባርን ሃገሩ ንኻልእ ዓለም ክፉት ብምግባሩን ኣድናቖት ዝረኸበ መራሒ እዩ። ኪንዮ እዚ ግና ብዛዕባ ኣብያተ መግቢ ኣሜሪካ መወዓውዒታት ይገብር ምንባሩ ትፈልጡ ዶ?","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c0vgwj1j4qxo"} {"headline":"ሚኻኤል ጎርባቸቭ፡ ናይ መወዳእታ መራሒ ሶቭየት ነበር ዓሪፉ","content":"እቲ ንዝሑል ኲናት ብሰላም ከም ዝውዳእ ዝገበረ መራሒ ሕብረት ሶቭየት ነበር ሚኻኤል ጎርቫቾቭ፡ ኣብ መበል 91 ዓመት ዓሪፉ። እቲ ብ1985 ስልጣን ዝሓዘ ጎርቫቾቭ፡ ነታ ማሕበርነታዊ ስነሓሳብ ትኽተል ዝነበረት ሕብረት ሶቭየት ውሽጣዊ ለውጥን ጽገናን ብምትእትታው ምስ ዓለም ከምእትዋሳእ ገይሩ። ይዅን እምበር ነታ ብዝተፈላለያ ሃገራት ዝቘመት ዘመናዊት ሩስያ ካብ ውድቀትን ምብትታንን ከድሕና ኣይከኣለን። መራሕቲ ዓለምን ፍሉጣት ሰባትን ብሞት ሚኻኤል ጎርባቾብ መልእኽቲ ሓዘንን ምጽንናዕን ይልእኩ ኣለው። ዋና ጸሓፊ ው.ሕ.ሃ. ኣንቶንዮ ጉተረዝ ንጎርቫቾቭ “ጕዕዞ ታሪኽ ዝቐየረ መራሒ” ክብል ገሊጹዎ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ \"ዓለም፡ ሓደ ህርኩት ዓለምለኻዊ መራሒ ስኢና። ሚኻኤል ጎርባቾቭ ፈጺሙ ዘይስልኪ ጠበቓ ሰላም እዩ ነይሩ”  ክብል ንኢዱዎ። ጎርቫቾቭ ዝዓረፈሉ ሆስፒታል፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር ንነዊሕ እዋን ብኸቢድ ሕማም ከምእተሳቐየን ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ጥዕናኡ እናንቈልቈለ ብምኻዱ ንሆስፒታል ክመላለስ ከምዝጸንሐ ሓቢሩ። ማዕከናት ዜና ዓለም ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ብሰንኪ ሕማም ኩሊት ናብ ሆስፒታል ከም ዝኣተወ'ኳ እንተሓበራ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ብምንታይ ምኽንያት ከምዝዓረፈ ኣይተፈልጠን ዘሎ። ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ብሞት ጎርባቾቭ ኣዝዩ ከም ዝሓዘነ፡ ኣፈኛኡ ዲሚትሪ ፐስኮቭ ንማዕከናት ዜና ሩስያ ኢንተርፋክስ ከም ዝሓበረ፡ ሮይተርስ ሓቢሩ። ፕረዚደንት ሕብረት ኤውሮጳ ኡሩሱላ ቫንደር ለየን፡ \"መገዲ ናጻ ኤውሮጳ ዘርሓወ እሙንን ሕፉርን መራሒ\" ክትብል ንጐርባቾቭ ንኢዳ። ኣተሓሒዛ፡ \"እዚ ውርሻ እዚ ኣይንርስዖን ኢና\" ከኣ ትብል። ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን እውን፡ ንትብዓትን ተኣማንነትን ጎርባቾቭ ከም ዘድንቕ ገሊጹ። \"ፑቲን ንዩክረይን ኣብ ዝወረረሉ እዋን [ጎርቫቾቭ] ንሕብረተሰብ ሶቭየት ንምኽፋት ዝገበሮ ዘይሕለል ቃልሲ፡ ንዅላትና ኣብነት እዩ\" ኢሉ። ጎርባቾቭ ወዲ 54 ዓመት እንከሎ’ዩ ዋና ጸሓፊ ዴሳዊ ሰልፊ ሕብረት ሶቭየትን መራሒ 'ታ ሃገርን ኰይኑ። ኣብቲ ግዜ’ቲ እቲ ዝነኣሰ ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ስለዝነበረ፡ ኣብቶም ዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታት መራሕቲ ከም ውዑይ ደምን ትንፋስን ይርአ ነይሩ። ሽዑ መራሒ ሩስያ ዝነበረ ኮንስታንቲን ቸርነንኮ ድሕሪ ሓደ ዓመት መሪሕነቱ፡ ኣብ መበል 73 ዓመቱ ምስ ሞተ፡ ጎርቫቾቭ ተኪኡዎ። እቲ ግሉጽነት ዝብል ግኑን ፖሊሲኡ ከኣ፡ ዜጋታት ሩስያ ቅድሚ ሽዑ ፈጺሞም ክሓስብዎ ዘይክእሉ ዝነበሩ ንመንግስቲ ክነቕፉ ዕድል ከፊቱሎም። እንተዀነ እቲ ፖሊሲ ኣብ ሓያሎ ዞባታት እታ ሃገር፡ ሃገራዊ ስምዒት ስለዘዳኸመ ኣብ መወዳእታኡ ሩስያ ናብ ውድቀትን ምብትታንን ከተምርሕ ከም ዝኸኣለት ይግለጽ። ብ1987 ምስ ኣሜሪካ ክሳብ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ዝኸይድ ስምምዕ ምቍጽጻር ኣጽዋር ፈሪሙ። ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ፡ ኣንጻር ዴስነት ምስ ተላዕላ'ውን ጣልቃ ክኣቱ ኣይደለየን። ጎርቫቾቭ፡ ብ1991 ነቲ ኣብ መንጐ ሕብረት ሶቭየትን ሃገራት ምዕራብን ብፍላይ ኣሜሪካን ብሪጣንያን ዝነበረ ዝሑል ኲናት ከምዝውዳእ ስለዝገበረ ብምዕራባውያን ከም ሃንዳሲ ሰላም እዩ ዝርአ። ኣብ ርክባት ምብራቕ ምዕራብን ሱር በተኻዊ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ልዑል ግደ ስለ ዝነበሮ፡ ብ1990 ሽልማት ሰላም ኖበል ተሸሊሙ። እንተዀነ፡ ኣብታ ድሕሪ 1991 ዝወጸት ሓዳስ ሩስያ፡ ኣብ ትምህርታውን ሰብኣውን ፕሮጀክትታት ብምትኳር ካብ ፖለቲካ ነብሱ ኣግሊሉ። ንሱ፡ ብ1996 ግን ናብ ፖለቲካዊ ህይወት ክምለስ ሓሊኑ ኣብ ዝገበሮ ፕረዚደንታዊ ውድድር፡ 0.5% ድምጺ ጥራይ ረኸበ። እቶም ሕጂ ድሕሪ ሞቱ ዝረኣዩ ዘለው ዝተፈራረቝ መግለጺታት ሓዘን ከኣ፡ ነጸብራቕ ናይቲ ንሱ ዝወሰኖ ረዚን ውርሻ እዮም። ኣብ ትሕቲ ፕረዚደንት ሪቻርድ ኒክሰን፡ ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኰይኑ ዘገልገለ ሄንሪ ኪሲንጀር፡ ጎርባቾቭ፡ \"ኣብ ታሪኽ፡ ንጥቕሚ ደቂ ሰብን ንጥቕሚ ህዝቢ ሩስያን ዝምልከት ታሪኻዊ ለውጥታት ዝጀመረ ሰብ ብምዃኑ ክዝከር ክነብር’ዩ\" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ምስ ምምሕዳር ጎርባቾቭ ንጥርናፈ ክልተ ጀርመን ዝዘራረብ ዝነበረ ጀምስ ቤከር እውን፡ ንኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ \"ሚኻኤል ጎርባቾቭ፡ ንህዝቡ ናብ ዲሞክራሲ ዘሰጋገረ ዓብን ዓርሞሸሽን ሰብ ብምዃኑ ታሪኽ ብኽብሪ ክዝክሮ እዩ\" ኢሉ። ይዅን እምበር፡ ብዙሓት ሩስያውያን ንጎርቫቾቭ በቲ ድሕሪ ውድቀት ሕብረት ሶቭየት ዝሰዓበ ህውከትን ምብትታንን ይቕረ ኣይብልሉን እዮም። ኣብዛ ተወሪራ ዘላ ዩክረይን ተሸይሙ ዘሎ ቭላድሚር ሮሆቭ ዝስሙ በዓል ስልጣን፡ ሚስተር ጎርባቾቭ፡ \"ንሕብረት ሶቭየት ኮነ ኢሉ ብፍላጥ ዝበታተና ሰብ እዩ” ብምባል፡  ከዳዕ ክብል ገሊጽዎ። ጎርባቾቭ ኣብቲ ብዙሓት ፍሉጣት ሰባት ዝቕበሩሉ ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝርከብ መካነ መቓብር ኖቨዲቪቺ፡ ኣብ ጐድኒ እታ ብ1999 ብናይ ደም ካንሰር (ሉኮምያ) ዝሞተት ራይሳ ዝስማ በዓልቲ ቤቱ ከም ዝቕበር፡ ታስ - ኣገልግሎት ዜና ሩስያ ኣፍሊጡ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cevk2yyvkdwo"} {"headline":"ኣመሪካ ንዩክረይንን ደገፍታን 2.6 ቢልዮን ዶላር ክትሕግዝ እያ","content":"ኣመሪካን ዩክረይንን መሻርኽታን ኣስታት 2.7ቢልዮን ዶላር ኣጽዲቓ። ካብዚ እቲ  675 ሚልዮን ዶላር ንዩክረይን ዝኸውን ኣጽዋር ክውዕል እዩ። ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን ኣብ ራምሽታይን: ጀርመን ኣብ ዝርከብ ናይ ኣመሪካ መደበር ሓይሊ ኣየር ምስ መሻርኽቲ ሃገሩ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ እዩ እቲ ናይ ኣጽዋር ደገፍ ኣፍሊጡ ። ኣመሪካ ንዩክረይን  ኣስታት 13 ቢሊዮን ዶላር ዝውድእ ወተሃደራዊ ደገፍ ከም እትገብረላ ቃል ኣትያ እያ። ምምሕዳር ባይደን ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ናይ ዩክረይንን ናይ 18 ጎረባብታን ጸጥታ ንምሕላው ኣብ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ፡ ኣብ ነዊሕ ዝኽፈል 2 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ደገፍ ከምዝገብር ኣፍሊጡ እዩ። እዚ ደገፍ እዚ ንኣባል ሃገራት ኔቶ ይኹን ነተን ኣብ መጻኢ ንሓደጋ መጥቃዕቲ ሩስያ ዝተቓልዓ ኣባል ዘይኮና ጎረባብቲ ሃገራት ዘጠቓልል እዩ ። እዚ ናይ ኣመሪካ ደገፍ ዝወሃብ ዘሎ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሚስተር ብሊንከን ኣብ ኪየቭ ኣብ ዝኣተወሉ ግዜ እዩ። እቲ \"ኣዝዩ ኣገዳሲ\" ሓገዝ እታ ሃገር ኣብቲ ዘድልያ ናይ ቁርጺ እዋን ከምዝወሃብን ዩክሬናውያን ኣንጻር ሓይልታት ሩስያ ኣብ ዝገብርዎ ስርሒታት \"ውጽኢታዊ\" ከም ዝኸውን ይእመን። ብዘይካ'ዚ፡ ኣመሪካን መሻርኽታን፡ ዩክረይን ልኡላዊትን ናጻን ሃገር ስለዝኾነት \"እቲ ጐነጽ ክሳዕ ዘቋርጽን ውሕስነታ ዝረጋገጽን ጸቕጢ ካብ ምግባር ከም ዘየቋርጻ\" ተመባጺዐን እየን። ንዩክረይን ወተሃደራዊ ደገፍ ንምሃብ ቃል ዝኣተዋ ሃገራት •            ኣመሪካ - 25.45 ቢልዮን ዶላር •            ዓባይ ብሪጣንያ - 2.53 ቢልዮን ዶላር •            ፖላንድ - 1.81 ቢልዮን ዶላር •            ጀርመን - 1.48 ቢልዮን ዶላር •            ካናዳ - 0.8 ቢልዮን ዶላር •            ኖርወይ - 0.48 ቢልዮን ዶላር •            ቼክ-ሪፖብሊክ - 0.27 ቢልዮን ዶላር •            ግሪኽ - 0.26 ቢልዮን ዶላር •            ኢስቶንያ - 0.26 ቢልዮን ዶላር •            ላቲቭያ - 0.23 ቢልዮን ዶላር •            ኦስትርያ - 0.19 ቢልዮን ዶላር •            ስዊድን - 0.18ቢልዮን ዶላር •            ፈረንሳ - 0.16 ቢልዮን ዶላር •            ዴንማርክ - 0.16 ቢልዮን ዶላር •            ጥልያን - 0.11 ቢልዮን ዶላር ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ኣመሪካ \"ንዘለኣለም ውግእ\" ኸተብቅዕ እኳ እንተደለየ፡ ንነዊሕ እዋን ክመጽያ ዝኽእል ቢልዮናት ዶላር ሓገዝ የፍስስ ኣሎ። ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ወራር ሩስያ ንዩክረይን እታ ሃገር ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ሓድሽ ምዕራፍ ኣትያ ኣላ። ኣብ ልዕሊ ሞስኮ ዝተነብረ ማዕቀብ ክልሕልሕ ብምጅማሩን ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ቀረብ ጋዝ ሩስያ ብምኽልካሉን ኤውሮጳ ኣብዚ ከቢድ ክረምቲ ብናህሪ ዋጋታት ነዳድን ሕጽረት ጸዓትን ኣብ ጭንቂ ትርከብ ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ: ዩክረይን ነቶም ዝድግፈኣ ዘለዋ ተቓለስቲ መሻርኽታ ትምክት ከምዘላ ከተእምን ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ እታ ሃገር ጸረ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ንወራር ሩስያ ክትመልስ ትዋጋእ ኣላ። ምብጻሕ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ናብ ኪየቭ ከኣ ኣመሪካ ገና ኣብ መብጽዓ ከምዘላ ንምርኣይ ዝዓለመ እዩ። ንዋሽንግተን እቲ ግጭት ካብ ዩክረይን ዝዓበየ እዩ። ምምሕዳር ባይደንን ሓያሎ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካን ወራር ሩስያ ንሕግታት እቲ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብኣመሪካ ዝቘመ ሰፊሕ ዓለምለኻዊ ስርዓት ዝትርብዕ እዩ ዝብል ዝብል እምነት እዩ ዘለዎም። ይኹን እምበር፡ ፕረዚደንት ባይደን እቲ ንዩክረይን ዝገብሮ  ደገፍ ምስሩስያ ኣብ ቀጥታዎ ግጭት ከየእትዎ ስለዝሰግእ ንዓወት ዩክረይን ዘቀላጥፍ ቅልጡፍን ወሳንን ኣይኰነን። ገሊኦም ተንተንቲን ናይ ሕጊ ኪኢላታትን፡ እቲ ሸቶ ናይ ባይደን ስዕረት ምክልኻል እምበር ምርግጋጽ ዓወት ስለዘይኮነ እቲ ፕረዚደንት ተባዕን ወሳንን ክኸውን ከምዘለዎ ይጠልቡ። ካልኦት ከኣ ዓወት ስለዘይከኣል  ተዅሲ ደው ንኽብልን ኣብ መንጎኦም ስምምዕ ንኽግበርን ጸቕጢ ክገብር ይምሕጸኑዎ። ምምሕዳር ኣመሪካ፡ ሩስያ ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ንኽትረክብ ዝከኣላን ዝግበኣን ጻዕሪ ከምዘይገበረት፡ ዩክረይን ድማ ንዝኾነ ከተቖጥዕን ከተቐይምን ከምዘይትኽእል ይማጎቱ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሊዝ ትራስን ናይ ጀርመን ቻንስለር ኦላፍ ሾልዝን ዝርከብዎም ሓያሎ መሻርኽቲ ንዩክረይን ዘለዎም ሓባራዊ ደገፍ ከሐይሉ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ። ትማሊ ረቡዕ፡ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ሰራዊት ሃገሩ ኣብ ደቡብን ምብራቕን ንዝርከብ ሰፊሕ ከባቢታት ዩክረይን ኣብ  ዝቈጻጸሩ ዘለው ሓይልታት ሩስያ ዕዉት መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ፡ ኣብ ጥቓ ሰሜናዊ ምብራቓዊ ከተማ ካርኪቭ ዝነበረ ሰፈራታት ከምዝተቖጻጸረ ገሊጹ። ሚስተር ብሊንከን ኣብ ኪየቭ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከኣ፡ ሰበ ስልጣን ዩክረይን ብዛዕባ እቲ ወተሃደራዊ መጥቃዕትን ገስጋሱን ሓጺር ሓበሬታ ሂቦሞ። ዘለነስኪ፡ዝርዝር ሓበሬታ እኳ እንተ ዘይሃበ፡ ሰብ መዚ ዩክረይንን ሩስያን ካብ ካርኪቭ ብሸነኽ ደቡብ 60 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ባላክለይያ ይዋግኡ ከም ዘለዉ ተዛሪቡ። ጸሓፊ ምክልኻል እንግሊዝ በን ዋለስ፡ ዩክረይን ዕውት ወተሃደራዊ  ገስጋስ ትገብር ከምዘላ ዘርኢ ምልክታት ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ብምዕራባውያን ሃገራት ዝተዋህበ ናይ ነዊሕ ርሕቀት መዳፍዕን ሮኬታትን፡ ንወተሃደራዊ ቀረባት ሩስያን  ማእከላት መአዘዝን ንምጥቃዕ ይሕግኦም ከምዘሎ ሓቢሩ። ትማሊ ረቡዕ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ \"ዋላ ሓንቲ መሬት ኣይለቐቕናን ኣይክንለቅቕን ከአ ኢና\" ክብል ምላሽ ሂቡ። ሩስያ ኣብ ዩክረይን ንናዝያውያን ትዋጋኦም ከምዘላ እያ ትገልጽ። እዚ ከኣ ብዙሓት ጎረባብቲ ሃገራት ኣይቅበኦን እየን። ስለዝኾነ ከኣ እየን ንውሕስነተን ክብላ ምስ ኔቶ ዘለወን ርክብ ከዕብየኦ ዝደልያ። ዝሓለፈ 24 ለካቲት ወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ካብ ዝጅምር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብውሕዱ 5,718 ሲቪል ሰባት ከም ዝሞቱ ፡ 8,199 ከም ዝቘሰሉ ፡ ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ዩክሬናውያን ድማ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ከምእተሰዱ መዝጊቡ ኣሎ።  ብዝሖም ዘይተፈልጡ ተዋጋእቲ ከኣ ተቐቲሎምን ቈሲሎምን ኣለው። እታ ብሃገራት ኤውሮጳን ምዕራብን እገዳ ዝተነብረላ ንዩክረይን ዝወረረት ዓለማዊት ኣቕራቢት ጸዓት ሩስያ፡ ኣብ ቁጠባዊ ማሕንቖ ትርከብ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4n0eq9e774o"} {"headline":"ኣብ 'ቤት ማእሰርቲ 120' እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ?","content":"ብ29 ሓምለ፡ ኣብቲ ሩስያ ዝተቘጻጸረቶ ግዝኣት ኣብ ዝርከብ 'ቤት ማእሰርቲ 120' ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 50 ዩክሬናውያን ምሩኻት ኲናት ተቐቲሎም። ዩክረይንን ሩስያን በቲ መጥቃዕቲ ንሕድሕደን ይካሰሳ። ክኢላታት መርመራ ገበን [ፎረንዚክስ] ግን፡ እቲ ሩስያ እተቕርቦ ዘላ ምጕት ማይ ዝዓቁር ኣይኰነን ይብሉ። መጠንቀቕታ እዚ ጽሑፍ ዘሰክፍ መብርሂታት ዝሓዘ 'ዩ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዘለው ፍጻመታት ኣዝዮም ዘሰንብዱ'ዮም። ኣብ መንጐ ብሓጺን ዝተሰርሐ ደርቢ ዓራውቲ ዝተቓጸሉ ሬሳታት ዘርእዩ ምስልታት ኣለው። ኣብ ደገ እውን ካልኦት ኣስክሬናት ኣብ ምድሪቤት ተዘርጊሖም ይረኣዩ። በቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ብውሕዱ 50 ዩክሬናውያን ምሩኻት ኲናት ሞይቶም፣ 73 ድማ ቆሲሎም። እዚ መጥቃዕቲ ንዩክረይን ዘሰንበደን ኣብ ውሽጢ እታ ሃገርን ወጻእን ዘለው ዜጋታት ተቓውሞ ዘልዓለን'ዩ ነይሩ። እቲ ቅትለት፡ ኣብታ ንርእሳ 'ዶነስክ ህዝባዊት ሪፐብሊክ' (ዲፒኣር) ኢላ ብምጽዋዕ ዝተፈለየት ኣብ ግዝኣት ዩክረይን እትርከብ ዞባ እዩ ተፈጺሙ። ኦሌኒቭካ ኸኣ ኣብ ጥቓ እታ ግዝኣት እትርከብ ቑሸት እያ። እዛ ዓዲ፡ ኣብ 2014 ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር እቶም ንሩስያ ዝድግፉ ተቓወምቲ ትርከብ። ካብ ምንጭታት ሩስያ ዝወጽኡ ኣሳእል ብቐረባ ድሕሪ ምምርማር፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ 120 እንታይ ከም ዘጋጠመ ንምፍላጥ፡ ክኢላታት ኣጽዋርን መርመርቲ ገበንን ኣዘራሪብና። ብተወሳኺ ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዘለዉ ሰሙናት ካብ ኦሌኒቭካ ምስ ዝተፈትሑ ሸውዓተ እሱራት ነበር ቃለ-መጠይቕ ጌርና። ኣብዚ ጉዳይ መብርሂ ክህብ ዝተወከስናዮ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ግን ምላሽ ኣይሃበን። እቲ ብወግዒ ቮልኖቫካ ማእከል ተሃድሶ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቤት ማእሰርቲ፡ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 1999 እዩ ተኸፊቱ። ሕጂ፡ ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሲቪላውያ ዝርከብዎም ወለንታውያን ዩክሬናውያን ተዋጋእቲ ይርከቡ። ኵሎም፡ ኣብታ ንርእሳ ሪፐብሊክ ኢላ እትጽውዕ ዘላ ዶነስክን ደቡባዊ ዩክረይንን ደገፍቲ ሩስያ ብዝዀኑ ሓይልታት ዝተማረኹ እዮም። ኣብ መንጐ እቶም እሱራት ኣማኢት ዕጡቓት ኣባላት 'ረጅመንት ኣዞቭ' እውን ኣለዉ። ኣብ 2014፡ የማናዊ መበቆል ብዘለዎም ወለንተኛታት በጦሎኒ ዝተመስረተ እዚ ረጅመንት ደሓር ዳግመ ውደባ ተገይሩሉ ምስ ሃገራዊ ሓለዋ ዩክረይን ተሓዊሱ። ድሕሪ እቲ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ንደቡባዊ ወደባዊት ከተማ ማሪዩፖል ንምክልኻል ዝገበርዎ ነዊሕን ተስፋ ዘቝርጽን ተጋድሎ፡ ካብቶም ተባዓት ተጋደልቲ ዩክረይን ምዃኖም ዝናኦም ኣረጋጊጾም። ብመሰረት ሰበስልጣን ዩክረይንን ብሩስያ ዝተዘርግሐ ዝርዝር ሞትን፡ መብዛሕትኦም እቶም ዝተቐትሉን ዝቘሰሉን ካብ ወተሃደራዊ ኣሃዱ ኣዞቭ እዮም። ሰራዊት ሩስያ፡ ፍጻመ ኦሌኒቭካ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቃልሖ ዜና፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣሜሪካ ብእተቕርቦ ሂማርስ ዝተባህለ ስርዓተ-ሮኬት ኣቢሉ ብዩክረይን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ'ዩ ክብል ከሲሱ። \"ኵሉ ፖለቲካዊ፡ ገበናውን ሞራላውን ሓላፍነት ናይቲ ኣብ ልዕሊ ዩክሬናውያን ዝወርድ ዘሎ ቅትለት ብውልቂ ብዘለንስኪን ብገበናዊ ስርዓቱን ዝመጽአን፡ ብዋሽንግተን ዝድገፍን'ዩ\" ክብል ዋና ወሃቢ ቓል ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ሌተናል ጀነራል ኢጎር ኮናሸንኮቭ ገሊጹ። ሰበስልጣን ሩስያ ካብቲ ቦታ ረኺብናዮ ዝበልዎ ኣካላት ሮኬት ሂማርስ ኣርእዮም እዮም። ንሩስያ ዝድግፍ መራሒ ናይታ ንርእሳ ከም ዝተገንጸለት ትቘጽር ዲፒኣር ዝዀነ ዴኒስ ፑሺሊን፡ ሓይልታት ዩክረይን ገበናት ኲናት ንምሽፋን ክብሉ ናይ ገዛእ ርእሶም ወተሃደራት ከም ዝቐተሉ ተዛሪቡ። ብፍላይ ድማ ፑሺሊን ከም ዝበሎ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ክፍጸም ባዕሉ ዘለንስኪ ኣዚዙ ነይሩ። ፑሺሊን ንተሌቪዥን ሩስያ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ \"ምስክርነት ናይቶም እሱራት መርትዖ እዩ ነይሩ። ኪቭ ግን ከተጥፍኦ ወሲና\" ክብል ተዛሪቡ። ድሕሪ እቲ ነትጒ ኣብ ዝነበረ መዓልቲ ዝተወስደ ምስሊ ሳተላይት፡ ሓደ ህንጻ በቲ ነትጒ ኣዝዩ ከም ዝተሃስየ የርኢ። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ እሱራት፡ እቲ ህንጻ ካብቲ ዝሓድሩሉ ዝነበሩ ቀንዲ ድፋዕ ርሒቝ ኣብ ዝርከብ ኢንዳስትሪያዊ ከባቢ ከም ዝነበረ ይዛረቡ። ቢቢሲ፡ ዩክረይን ነቲ መዓስከር ብመዳፍዕ ሮኬታት ዒላማ ገይራቶ ዝብል ክሲ ሩስያ ንምጽራይን ኣስታት ሽዱሽተ ክኢላታት ኣጽዋርን መርመርቲ ገበንን ብምዝርራብ፡ ብሳተላይት ዝተሳእለ ምስሊን ቪድዮን ናይቲ ዒላማ ዝዀነ ህንጻ ዘጠቓልል መርትዖታት መርሚሩ። እቶም ርኽበታት ብዘደንቕ መልክዑ ቅኑዓት ነይሮም። \"እቲ ዕንወት በቲ [ኣብ ሓደ እዋን ብዙሕ ዝትኩስ ስርዓተ-ሮኬት] ኣየጋጠመን\" ይብል ዋና ቴክኒካዊ ሓላፊ ተተኮስቲ ሰራዊት ብሪጣንያ ነበርቦብ ሴዶን። ኣብቲ ምስልታት ዝተራእየ ዕንወት ኣዝዩ ጽዑቕ ከም ዝዀነ ይገልጽ። እቲ ህንጻ ንባዕሉ ተዛማዲ ዝዀነ ጕድኣት የብሉን። ይዅን እምበር ከም ሂማርስ ዝኣመሰለ ብዙሕ ዝትኩስ ሮኬት ኣዝዩ ዝሰፍሐ ዕንወት ከም ዘስዕብ ይሕበር። ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ህንጻ፡ ኣብቲ ብማዕከናት ዜና ሩስያ ዝተዘርግሐ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ዝተራእየ ኣስክሬናት ኵሎም ዝተቘራረጹ ከም ዘይነበሩ፡ ኣብ ለንደን ኢምፔርያል ኮሌጅ ቀንዲ ሓኪም መጥባሕትን ዳይረክተር በሰላን ዶክተር ሸሃን ሄቲያራቺ ይሕብር። ኣብ ከባቢታት ግጭት ሰፊሕ ተመኵሮ ዘለዋ ብሪጣንያዊት ሓኪም ዶክተር ሳሌሃ ኣሕሳን፡ ገለ ሜላ ምንዳድ ዝተጠቐሙ ይመስል ትብል። ኣብ ሽሪቨንሃም ኣብ ዝርከብ ኣካዳሚ ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ መምህር ቴክኖሎጅን ድሕነትን ነታጒ ዝዀነ ፒት ኖርተን፡ \"ብብዝሒ ነዳዲ ዝማዕበለ ክኸውን ዝኽእል ነታጒ\" ኣብ ውሽጢ እቲ ህንጻ ተቐሚጡ ነይሩ ይብል። \"ከምዚ ዓይነት መሳርሒ ብሓዊ ዕንወት ንምፍጣር ወይ ንመርትዖታት ፎረንሲክስ ንምጥፋእ ውዒሉ ክኸውን ይኽእል\" ዝብል ድማ ንቕሓት ነተጒቲ ኣብ ምፍጣር ኣድሂቡ ዝሰርሕ CAT-UXO ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ እዩ። ብኣገልግሎት ስለያ ዩክረይን ተጠሊፉ ዝተባህለ ካብ ቴሌፎን ዝተቐድሐ ድምጺ ብዘይሻራውነት ከነረጋግጾ ዘይከኣልና ኣካታዒ መርትዖ እዩ። ሩስያ ንዩክረይን በቲ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምኽሳሳ ሒደት ጸኒሑ ዩክሬናውያን ነቲ ቅዳሕ ፈንዮምዎ። ኣብኡ ክልተ ስሞም ዘይተጠቕሱ ተዛረብቲ እቲ መጥቃዕቲ ከይተፈጸመ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ጥራይ፡ 200 ምልሙላት ኣዞቭ ካብ ድፋዖም ናብ ዝተነጸለ መኽዘን ብኸመይ ከም ዝተሰጋገሩ ይዛተዩ። ሓደ ካብቶም ሰባት፡ ኣብቲ መኽዘን ዝነበረ ድምጺ ነትጒ ንምሽፋን፡ ሩስያውያን ሚሳይላት ናብ ኣየር ከም ዝተኮሱ ይዛረብ። ከምኡ'ውን \"እቲ ነታጒ ኣቐዲሞም ከምዝተኸሉዎ\" ይገልጽ። ቢቢሲ ተወሳኺ ሓበሬታ ክህቡ ዝሓተቶም፡ ሰበስልጣን ዩክረይን ርእይቶ ክህቡ ኣይደለዩን። ናብቲ ገበን ዝተፈጸመሉ ቦታ ምብጻሕ ስለ ዘይከኣል፡ ኣብታ ለይቲ ኣብ ውሽጢ እቲ መኽዘን እንታይ ከም ዘጋጠመ ብርግጸኛነት ምዝራብ ኣይከኣልን። ካብቲ ህንጻ ወጻኢ ዝተረኽበ ምስልታት ብምምርማር ግን፡ እቶም እሱራት ኣብ ሕማቕ ኵነታት ተኣሲሮም ከም ዝነበሩ ተወሳኺ መርትዖታት ኣሎ። ኣብ ኣገልግሎት ስለያ ማኬንዚ ዝሰርሑ ክኢላታት ዕንወት ውግእ፡ ገለ ካብቶም ናብቲ መኽዘን ዝተወሰዱ ሬሳታት ቅድሚ'ቲ ባርዕ ድሮ ሞይቶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይዛረቡ። ትዕዝብቶም ኣብ ሓደ ቪድዮ ጥራይ ከም ዝተመርኮሰ ብምግላጽ፡ ገለ ካብቶም ሬሳታት \"ዝደኸሙን ሕጽረት መግቢ ዝነበሮምን ይመስሉ\" ይብሉ። \"ሕማቕ ኵነታት ናይቶም ሬሳታት፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኦለኒቭካ ንእሱራት ኲናት ዝግበር ሕማቕ ኣተሓሕዛ ከምዘሎ ዘመልክት'ዩ\" ይብሉ። ካብ SOAR ዝተባህለ ናይ ሳተላይት ካርታ ዝሰርሕ ኩባንያ ዝመጽኡ ተንተንቲ፡ ቅድሚ እቲ ነትጒ ዝነበረ ካልእ መርትዖ ዘመልክቱ፡ ምልክታት ዝተተንከፈ መሬት ከም ዘርእዩ ይሕብሩ። ሰበስልጣን ዩክረይን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እዞም ምስልታት መቓብራት ከም ዝተዃዕቱ ዘርኢ መርትዖ ከም ዘርእዩን ነቶም ዝሞቱ ሰባት ንምቕባር ይዳለዉ ከም ዝነበሩን ሓቢሮም። ይዅን እምበር፡ እዞም ብተናጸል ዝርከቡ ምስልታት፡ ንዝዀነ ይዅን ዓይነት መቓብር ወይ ዕላማ ንምርግጋጽ እዅላት ኣይኰኑን። ብተወሳኺ ንሸውዓተ ቤት ማእሰርቲ 120 ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣዘራሪብና ኢና። እዞም ዓሰርተታት ዝዀኑ እሱራት ነበር ቅድሚ እቲ ነትጒ ኣብ ዝነበሩ ሰሙናት ዝተፈትሑ ክዀኑ እንከለዉ፡ ካብኣቶም ሃንደበት ንምንታይ ከም ዝተፈትሑ ዝፈልጥ የለን። ኵሎም፡ ልዕሊ ዓቐን ምጽቃጥ፡ ድኹም ጽሬትን ብሓለውቲ ቤት ማእሰርቲ ምፍርራሕን ከም ዝነበረ ገሊጾም። \"እሱራት ኵሉ ግዜ ክግረፉ ይስማዕ ነይሩ። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ኣውያት፡ ቃንዛ ንምሽፋን ሙዚቃ ይኸፍቱ ነይሮም\" ይብል ሰባት ካብ ማሪዩፖል ንኽወጹ ኣብ ዝሕግዘሉ እዋን ዝተኣስረ ወለንተኛ መራሒ መኪና ኮንስታንቲን ቬሊችኮ። ናብቲ ስሩዕ ድፋዕ ምስ ተሰጋገሩ ኵሎም ኵነታት ከም ዝተመሓየሸ ገሊጾም። ግን ኵሉ ግዜ ከይቅጽዑ ዝብል ፍርሒ ነይርዎም። ዜጋታት ዩክረይን ካብ ማሪዩፖል ንኽሃድሙ ብምሕጋዙ ንኣስታት 100 መዓልታት ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ሩስላን ዝተባህለ መሃንዲስ \"ሓላፊ እቲ ቤት ማእሰርቲ፡ ባሮቱ ምዃንና ነጊሩኒ\" ይብል። ኣብ ዕጡቓት ኣዞቭ ዝነበረ ኣተሓሕዛ ግን ካብ ኵሎም እሱራት እቲ ዝኸፍአ ከም ዝዀነ ይገልጹ። ቪክቶር ዝተባህለ ዩክሬናዊ ፖሊስ፡ ሓኪም ንምርኣይ ኣብ መስርዕ እናተጸበየ እንከሎ ሓደ ወዲ 20 ዓመት ኣባል ኣዞቭ'ውን ኣብቲ ሪጋ ከም ዝነበረ ይዝክር። \"ነቲ ኣዞቭ ሃሪሞሞ። ኣዝዩ ኣረሜናዊ ማህረምቲ ስለ ዝነበረ ክትንስእ ኣይክኣለን\" ይብል ቪክቶር (ንድሕነቱ ስሙ ዝተቐየረ)። \"ድሕሪኡ ብጥራይ ኢዱ ነቲ መስመር ረሳሕ ፈሳሲ ክጸርግ ገይሮምዎ።\" ድሕሪ ሓደ ወርሒ ቪክቶር ኣማኢት ኣባላት ኣዞቭ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝመጽኡ ይዝክር። ኣብቲ ዝተኸበበ ፋብሪካ ሓጺን ኣዞቭስታል አብ 16ን 17ን ግንቦት 2022 ኢዶም ድሕሪ ምሃቦም ብቐጥታ ናብ ቤት ማእሰርቲ 120 ተሰጋጊሮም እዮም። ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ፡ ካብቶም ካልኦት እሱራት ኣርሒቘም ኣብ ዝተፈልየ ድፋዕ ከም ዘቐመጥዎም ቪክቶር ይሕብር። እቲ ኣብ ልዕሊ እሱራት ኣዞቭ ዝተፈጸመ ግህሰት ዕረፍቲ ዘይብሉ እዩ ነይሩ ይብሉ ኵሎም እሱራት ነበር። \"ኣዝዮም ጸሊኦምዎም\" ይብል ሩስላን። ድሕሪ እቲ ነትጒ ኣብ ዝተቐድሐ ቃለ መጠይቕ፡ ሩስላን መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ክዘራረቡ ከም ዝሰምዖም ከይተረፈ ይዛረብ። \"ወተሃደራዊ ሰራዊት ሩስያን ሓለውቲ ዲፒኣርን፡ ንዅሎም ደቂ ኣዞቭ ኣብ ሓደ ድፋዕ ኣእትዮም፡ ብሮኬት እንተድብደብናዮምከ? ኢሎም ክዘራረቡ ብተደጋጋሚ ሰሚዐዮም ነይረ።\" ኣብ 18 ግንቦት ኣህጉራዊ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል (ICRC) \"ጠለባት\" እሱራት ኲናት ንምግምጋም ከይዶም ነይሮም። ንእሱራት ግን ሓደ ብሓደ ከዘራርቡ ከም ዘይተፈቕደሎም ንቢቢሲ ሓቢሮም። ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ምብጻሕ ይዅን ነቶም ሬሳታት ምርኣይ ስለ ዘይከኣል፡ ስድራቤታት እቶም ግዳያት፡ ነቲ ሩስያ ዝለቐቐቶ ኣስማት ከምዘይኣምኑ ይዛረቡ። ዩክረይን፡ ነቲ ፕረዚደንት ዘለንስኪ \"ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ ገበን ኲናት\" ክብል ዝገለጾ፡ ሕቡራት ሃገራት ክምርምር ንኽፍቀደሉ ጻውዒት ኣቕሪባ እያ። ቀይሕ መስቀል ብወገኑ ነቶም በቲ ነትጒ ዝቘሰሉ ንምሕጋዝ ህጹጽ ጻዕሪ ይገብር ኣሎ። \"ኣብዚ እዋን'ዚ ቀዳምነትና ዝሰርዖም ሰባት፡ እቶም ውጕኣት ህይወት ዘድሕን ሕክምና ክረኽቡን፡ ሬሳ ናይቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ድማ ብኽብሪ ክሰናበት ምርግጋጽ'ዩ\" ክብሉ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c0j1d5nd84no"} {"headline":"ሩስያ ናብ ኣውሮጳ ዝኸይድ ቀንዲ መስመር ጋዝ ዓጽያ","content":"ሩስያ ምትዕርራይ ትገብር ከምዘላ ብምሕባር፡ ነቲ ናብ ኣውሮፓ ዝኸይድ ቀንዲ መስመር ጋዝ ከምዝዓጸወቶ ኣፍሊጣ። ብመንግስቲ ሩስያ ዝውነን ግዙፍ ኣፍራይ ጸዓት ዝኾነ ጋዝፕሮም፡ እቲ ኖርድ ስትሪም-1 ተባሂሉ ዝጽዋዕ መተሓላለፊ ጋዝ ንሰለስተ መዓልታት ምሉእ ንምሉእ ተዓጽዩ ክጸንሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ሩስያ ኣቐዲም ኣቢላ’ውን በቲ መስመር ዝሓልፍ መጠን ጋዝ ኣጉዲላቶ ምጽንሓ ዝዝከር እዩ። ሩስያ፡ ነቲ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ምእዋጃ ብምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊኣ ዝተነበረ እገዳ ሕነ ንምፍዳይ ነዚ መስመር ትዓጽዎ’ላ ዝብል ክሲ ብተደጋጋሚ ክትነጽጎ ጸኒሓ እያ። እቲ ብትሕቲ ባሕሪ ባልቲክ ኣቢሉ ካብ ሰይትን ፒተርስበርግ [ሩስያ] ናብ ሰሜናዊ ምብራቕ ጀርመን ዝዝርጋሕ መስመር ጋዝ ኖርድ ስትሪም-1፡ 1,200 ኪሎሜተር ንውሓት ዘለዎ’ዩ። እዚ ኣብ 2011 ስርሑ ዝጀመረ መስመር፡ ካብ ሩስያ መዓልታዊ 170 ሚልዮን ሜትር ክዩብ ጋዝ’ዩ ዘመሓላልፍ ነይሩ። ኣብ ወርሒ ሓምለ'ውን፡ ሩስያ ንጽገና ብምባል፡ ነቲ መስመር ን10 መዓልታት ዓጽያቶ ነይራ’ያ። ብድሕሪ’ዚ፡ ሩስያ መሰረታዊ ጸገማቱ ኣይተዓረየን ብምባል፡ ካብቲ ቅድም ትሰዶ ዝነበረት ጋዝ፡ 20% ጥራይ’ያ ናብ ጀርመን ክትሰድድ ጸኒሓ። ብሰንኪ’ዚ ኣብ ኣውሮጳ ዋጋ ጋዝ ብ400% ወሰኽ ከርኢ ክኢሉ’ዩ። መራሕቲ ኣውሮጳ፡ ሩስያ ሕጂ ብዝወሰደቶ ምዕጻው እዚ መስመር፡ ዋጋ ጋዝ ካብዚ ዘለዎ ዝያዳ ዋጋ ከይውስኽ ስግኣቶም ክገልጹ ጀሚሮም ኣለዉ። መራሕቲ ሃገራት ኣውሮጳ፡ ነቲ ዝበዝሐ ካብ ሩስያ ዝረኽብዎ ዝነበሩ ጋዝ ብካልእ ኣማራጺ ንምትካእ፡ ቢልዮናት ዶላራት ከውጽኡ ተገዲዶም ምህላዎም ይፍለጥ። ሚኒስተር ጸዓት ፈረንሳ ኣግነስ ፓንየር “ጋዝ ከም መሳርሒ ኵናት” ትጥቀመሉ ኣላ ብምባል ንሩስያ ከሲሳ ኣላ። እታ ሚኒስተር፡ ጋዝፕሮም ናብቲ ብፈረንሳ ዝውነን ኩባንያ ጽዓት ኢንጂ ዘቕርቦ ዝነበረ ጋዝ ደው ከምዘብሎ ድሕሪ ምሕባሩ’ያ ነዚ መግለጺ ሂባ። እንተኾነ ውሃቢ ቃል ፕረዚደንት ሩስያ ቭላዳሚር ፑቲን: ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘንበረኦ እገዳ፡ ኣብ ትሕተ ቅርጺ ሃገሩ ጸገማት ከምዘምጸአ ብምሕባር እቲ ቀንዲ ምኽንያት ምቁራጽ ጋዝ እቲ እገዳ ከምዝኾነ ገሊጹ። እቲ ወሃቢ ቃል እቲ እገዳ “ተክኖሊጂካዊ ጸገማት” ከምዘስዓበሎም ብምግላጽ፡ ዝርዝር ናይቲ ጸገም ከይገለጸ፡ ኖርድ ስትሪም-1 ደው ክብል ዘገደደ ቀንዲ ምኽንያት እቲ እገዳ ዘስዓቦ ጸገማት ምዃኑ ተዛሪቡ። ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ፡ ሚኒስተር ቁጠባ ጀርመን ሮበርት ሃባክ፡ እቲ መስመር ዝኾነ ተክኒካዊ ጸገም ከምዘይብሉ ብምሕባር ነቲ ሩስያ ተቕርቦ ዘላ ምኽንያት ሓቅነት ዘይብሉ’ዩ ኢሉ ምንባሩ ይዝከር። ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን’ውን ፕረዚደንት ኮምሽን ኣውሮጳዊ ሕብረት ኡስላ ቮን ደር ለየን እቲ ሕብረት ኣብ ስሎቨንያ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ጸገማት ናይ ጸዓት ንምፍታሕ ኢዱ ከእቱ ምዃኑ ቃል ኣትያ ነይራ። እታ ፕረዚደንት “ሓድሽ ሞዴል ዕዳጋ ናይ ኤለትሪክ ብምንዳይ ናብቲ ዝነበርናዮ ምዕሩይ ቀረብ ክንምለስ ከድልየና’ዩ” ክትብል'ያ ትገልጽ። ቢቢሲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሩስያ ኣብ ጥቃ ፊንላንድ ካብ ዝርከብ መደበር ጸዓታ፡ መዓልታዊ ዋጋ 10 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ናብ ኣውሮጳ ክኸይድ ዝነበሮ ጋዝ ተቃጽል ከምዘላ ኣቃሊዑ ነይሩ’ዩ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c16pre7kewgo"} {"headline":"ኲናት ዩክረይን፡ ‘ንፑቲን ክሓቶ እደሊ፡ ስለምንታይ'ዩ ንወደይ ቀቲልዎ?’","content":"ሓይልታት ሩስያ ድሕሪ ምዝላቖም፡ ሓራ ኣብ ዝወጸ ከባቢታት ዩክረይን ንዝተፈጸመ ግፍዕታት ዘመላኽቱ ጸብጻባት ይወጽኡ ኣለው። ኣብ ከተማ ባላክሊያ፡ ሰብ መዚ ንኣስከሬን መራሕ ታኽሲ ፔትሮ ሸፐል ፍሒሮም ከውጽኡ እንከለው፡ ሓይልታት ሩስያ ካብታ ከተማ ኣብ ዝወጽኡላ መዓልቲ ከምዝቐተልዎ ይኣምኑ። ኣዲኡ ቫለንቲና፡ ፍትሒ ካብ ምሕታት ከምዘይተቋርጽ ትዛረብ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/62924080"} {"headline":"ምንስሓብ ሰራዊት ሩስያ፡ ንወተሃደራዊ ድኽመቱ ዘቃለዐ እዩ ተባሂሉ","content":"ሩስያ ካብታ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዩክረይን እትርከብ ካርኪቭ ዝገበረቶ ምንስሓብ፡ ኣብ ቀረብን ኣወዳድባ ሰራዊትን ዘለዋ ድኽመት ዘቃለዐ ከምዝኾነ ገዳይም ወታሃደራት እታ ሃገርን ጸሓፍትን ገሊጾም፡፡ ሓደ ሩስያዊ ኣብ ዩክረይን ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ መሳርሕቱ ነበር ብስልኪ ተዛሪቡኒ ኢሉ ኣብ ቴሌግራም ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ ‘‘ንጉሆ ሰላም ዝበልኩዎ ሰብ ንኣጋምሸት ኣስከሬኑ ምፍላይ ከመይ ከምዝሰልቸውኒ ክትግምት ኣይትኽእልን’’ ከምዝበሎ ይሕብር፡፡ ‘‘ትማሊ እኳ ክልተ ጉጅለታት ናይ ስናይፐር ኣባላተይ ብታንኪ ተደምሲሶም፡፡ ሰለስተ ሽዑ ንሽዑ ሞይቶም፤ እቲ ራብዓይ ህይወቱ ከድሕን ሰዓትን ፈረቓን ተዋጊኡ፡፡ ብጽኑዕ ዝቖሰለ ካልእ ብጻይ ድማ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ፡፡ ዓሰርተታት ኪሎሜትር ዝነውሕ ዓውደ ግንባር ሒዝና ኣለና፤ ዳርጋ ዝተረፈና ሰብ ግን የለን፡፡’’ ዋላኳ መራሕትን ሚድታትን ሩስያ እቲ ካብ ካርኪቭ ዝተገበረ ምስሓብ ዘምጸኦ ለውጢ ከምዘየለ ይገልጹ እንተሃለዉ፡ ነቲ ኲናት ዝጽብጽቡ ውልቀ ሰባት፣ ገዳይም ወታሃደራትን ፍሉጣት ጸሓፍትን ግን፡ ኣብ ዕጹዋት ናይ ቴሌግራም ቻነላት ዝጽሕፉዎም ሓሬታታት ከቢድ ጸገም ከምዘጋጠመ ዘረድኡ እዮም፡፡ እቶም ቻነላት ሕጽረት ኣጽዋር፣ ሕጽረት ወታሃደራትን ድሑር ዝኾነ ናይ እዚ ሰንሰለት ከምዘሎ ብዝገልጹ ዛንታታት ዝተመልኡ እዮም፡፡ ኣብ ቀረባ መዓልቲ ንዘንሰሓቡ ወታሃራት ሩስያ ጠቒሱ ሓደ ናይ ቴሌግራም ቻነል ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ እቶም ወታሃደራት ሓንቲ ንኡሽቶ ናይ ስለላ ድሮን ንምጥቃም ካብ ላዕለዋይ ሓላፊ ፍቓድ ክረኽቡ ከምዝግደዱን እዚ ድማ ናይ ጸላኢኦም ኩነታት ቀልጢፎም ከይርድኡ ከምዝገብሮምን ይጠቅስ፡፡ ብሓደ ኣባል ፍሉይ ሓይሊ ሩስያ ከምዝውነን ኣብ ዝተገለጸ ካልእ ናይ ቴሌግራም ቻነል ድማ ‘‘ . . . ካብ ዝገብር ኣዛዚኻ ንላዕሊ ጸላኢ የለን’’ ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ጨርቂ ናይ ዝኣሰረ ወታሃደር ሩስያ ፎቶ ዘርጊሑ ነይሩ፡፡ እቲ ስእሊ መዓዝን ኣበይን ከምዝተወሰደ ዝገልጽ ሓሬታ እኳ እንተዘይሃለወ፡ ስምዒት ሰራዊት እታ ሃገር ዘንጸባርቕ ከምዝኾነ ብምግላጽ ብዙሓት ነባራትን አባላትን እቲ ሰራዊት ክካፈልዎ ተራእዩ፡፡ ሰራዊት ሩስያ ድኹም ናይ ምውጋእ ወነ ኣለዎም ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን፡ ሩስያውያን ጸብጸብቲ ኲናት ግን ኣብ ግንባር ዝረኣይ ምኽዳዕ ኣብ ምንስሓብ እቲ ሰራዊት ኣበርክቶ ከምዘይብሉን፡ ከስሕቡ ስለዝተነገሮም ምዃኑን ይገልጹ፡፡ ገለ ወታሃራት ድማ እቲ ሩስያ ዝጀመረቶ ‘‘ፍሉይ ወታሃደራዊ ወፍሪ’’ ዝብል  ‘‘መንገዲ እምበር ዕላማ የብሉን’’ ኢሎም ከባጭውሉ ተራእዮም፡፡ ድኹም ኣመራርሓ ጥራሕ ኣይኮነን ንሩስያ ዝፍትና ዘሎ፡፡ እታ ሃገር መሰረታዊ ቀረባት ክተማልእ ብዘይምኽኣላ፡ ሰባት እናዋጽኡ ከማልእዎ ይግበር ኣሎ፡፡ ብዙሓት ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ጉጅለታት፡ ካብ ድሮናት ጀሚሩ ክሳብ ካልስን ብታንትን ወታሃደራት ንምምላእ ገንዘብ የተኣኻኽቡ ኣለዉ፡፡ ‘‘ዘ ፒፕልስ ፍሮንት’’ ዝተባህለ ሓደ ጉጅለ ፡ ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ ልዕሊ 17 ሚልዮን ዶላር ኣኪቡ ክዳውንቲ፣ ወታሃደራዊ መነጽራትን ካልኦትን ከምዝገዝአ ይገልጽ፡፡ ኮይኑ ግና እዚ ወፈያታት ንድልየት እቲ ሰራዊት ከማልእ ኣይከኣለን፡፡ ዘበናዊ ነፈርቲ ውግእ ሩስያ ዘብርሩ ፓይለታት ሓዊሱ ብዙሓት ወታሃደራውያን ኣሃዱታት ሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት ከምዘጋጠሞምን ሓገዝ ከምዝደልዩን ክገልጹ ይስምዑ ኣለዉ፡፡ እቲ ቀንዲ ጸገም ግን ሕጽረት መሳርሒ ኣይኮነን፤ ሕጽረት ሰራዊት እዩ፡፡ ዋላኳ ኣብታ ሃገር ግዱድ ዕስክርና እንተዘይሃለወ፡ ንዩክረይን ካብ እትወርር ንዳሓር ግን ተወሰኽቲ ሰባት ንምምልማል ድፍኢት ይግበር ኣሎ፡፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ቅድሚ ሕዚ ብዘይተለመደ፡ ን 7 ሽሕ ሰባት ክፍቲ ስራሕ ቦታ ከምዘለዎ ዝገልጽ ምልክታ ኣውጺኡ፡፡ ገለ ቅድሚ ሕዚ ኣባላት ሰራዊት ዝነበሩን ዝተሰናበቱን፡ ተመሊሶም ክጽምበሩ ብተደጋጋሚ ከምዝተሓተቱ እውን ንቢቢሲ ገሊጾም፡፡ ብዙሓት ሰባት ንምስሓብ፡ ሩስያ ዝነኣሰ ናይ ኣገልግሎት ግዘ ካብ ሰለስተ ዓመት ናብ ሰለስተ ወርሒ፡ 40 ዝነበረ ዝለዓለ ዕድመ ድማ ናብ 60 ኣደይባቶ ኣላ፡፡ መሃያ ናይቶም ስራሕቲ ድማ ካብ 1000 ዩሮ ክሳብ 4500 ዩሮ ዝበጽሕ ኮይኑ እዚ እውን ንብዙሓት ዘህርፍ ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ፡፡ ሩስያ ነቶም ዘመልክቱ ሰባት ናይ ሓደ ሰሙን ስልጠና ጥራይ እናሃበት ናብ ዩክረይን ተዋፍሮም ከምዘላ ይዝረብ፡፡","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2wr4pw717o"} {"headline":"ኢንግሊዛውያን ተዓሪፋኹም ክትቆጽሩ ንሕና ግና ግዳያት ኢና እንቖጽር- ኦሌና ዘለንስካ","content":"ብሰንኪ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝተወልዐ ኵናት ዝተፈጠረ ቁጠባዊ ሃስያ፡ ኣብ መሻርኽቲ ሃገራት’ውን እንተኾነ ሳዕቤኑ ከቢድ ከምዝኾነ ዝገለጸት ቀዳማዊት እመቤት እታ ሃገር ኦሌና ዘለንስካ፡ “እንተኾነ ግና ኢንግሊዝያውያን ተዓሪፋኹም ክትቆጽሩ እንከለኹም ዩክሬናውያን ግና ግዳያት ኵናት ኢና እንቖጽር ዘለና” ኢላ። እታ ቀዳማዊት እመቤት ሎሚ ሰንበት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፡ ንዩክረይን ዝግበር ሓገዝ ጥንኩር እንተዝኸውን ነይሩ እቲ ቅልውላው ኣብ ዝሓጸረ ግዘ መብቀዐ ነይሩ ኢላ። ብሰንኪ እቲ ዅናት ዘጋጠመ ሰብኣዊ ክሳራ ምርኣይ ኣገዳሲ ከምዝነበረ ዝጠቐሰት ኦሌና ዘለንስካ ንበዓል ቤታ ሓለሓሊፉ ጥራይ ከምእተረኽቦ ብምግላጽ፡ ብቴሌፎን ግና ኩሉሻብ ከምዝራኸቡ ሓቢራ። ካብ 2003 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን ጀሚራ ንፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ዝተመርዓወት እታ ቀዳማዊት እመቤት፡ ነቲ ብሰንኪ ወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ብናይ ሓይሊ ኤሌትሪክ ክፍሊት ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ዓባይ ብሪጣንያ እንታይ መልእኽቲ ከምዘለዋ ሕቶ ቀሪቡላ ነይሩ። “እቲ ዘሎ ጽንኩር ኩነታት እርድኣኒ’ዩ። እንተኾነ ግና ኣብ ግዘ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሕጂ’ውን ምሳና ዘሎ ዋጋ ሸቐጣት ሰማይ እንትስቀሉ ዩክረይን’ውን ግዳይ እያ ነይራ” ድሕሪ ምባል፡ እንተኾነ ኣብ ዩክረይን ናህሪ ዋጋ ጥራይ እንተይኮነስ ሰባት’ውን እዮም ዝሞቱ ዘለዉ ኢላ። ንሳ ኣስዒባ “ንስኻትኩም ብዛዕባ ኣብ ባንኪ ወይ’ውን ጁባኹም ዘሎ ተዓሪፋ ክትቆጽሩ እንከለኹም ንሕና ድማ ኣብ ርእሲ ንሱ ግዳያት ሞት’ውን ኢና እንቖጽር ዘለና” ኢላ። ቀዳማዊት እመቤት ኦሌና ዘለንስካ ነቲ ርእይቶ ዝሃበት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ርእሰ ከተማ ዩክረይን ኪየቭ ዑደት ኣብ ዘካየደሉ እዋን ህዝቢ ኣውሮፓ ምስ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ክቡር ናብራ ህይወት ንገዘእ ርእሱ ኣወሃሂዱ ኣብ ጎኒ ዩክረይን ጠጠው ክብል ምጽውዑ ስዒቡ’ዩ። መጠን ዝቕባበ ዋጋ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ 42 ዓመታት ንፈለማ ግዜ 13.3 ሚኢታዊት ክምዝገብ ዝተኣመተ ኮይኑ፡ ቁጠባ እታ ሃገር ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክሽምረር’ዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ። ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ድማ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ወራር ምፍጻማ ስዒቡ ኣብ ዋጋታት ሓይሊ ኤሌትሪክ ወሰኽ ስለዝተርኣየ ከምዝኾነ ባንኪ ዓዲ እንግሊዝ ኣፍሊጡ። ሃገራት ኣውሮፓ ነታ ዝለዓለ መጠን ሓይሊ እተቐርብ ሩስያ፡ መጠን ቀረብ ጋዝ ኣውሒዳ ብምቕራብ ከም ሓደ መሳርሒ ገይራ ምጥቃማ ይነቕፍኣ። እታ ቀዳማዊት እመቤት ካብ ዩክረይን ወጻኢ ዘሎ ህዝቢ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክረይን ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምርዳእ ኣጸጋሚ ከምዝነበረ ብምጥቃስ፡ ብዛዕባ እቲ ቅልውላው ዘስዓቦ ሰብኣዊ ዛንታታት ምብጻሕ ከምዝነበረ ኣገዳሲ ምንባሩ ተዛሪባ። ብዙሓት ስድራቤታት ዩክረይን ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ዶብ ፖላንድ ክሰግር እንከሎ ብንብዓት ተሓጺቡ ዝርአ ዩክሬናዊ ቆልዓ ተመሳሳሊ ዛንታ ሓሊፎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዝሓበረት ኦሌና ዘለንስካ፡ “ኣብ ናይቶም ነዚ ቪድዮ ዝርእዩ ዘለዉ ወለዲ ቦታ ኮይነ እየ ዝሓስብ። ኩሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ፍጡር’ውን ተመሳሳሊ ክስምዖ ኣለዎ” ኢላ። “ነዚ ኢና ድማ እዞም ዛንታታት ክንነግር ዘለና፣ ምኽንያቱ እዚኣቶም ናይ ኵናት ገጽታ ዘርእዩ ስለዝኾኑ። ቁጽሪ ዝተደርበዩ ቦምባታትን መጠን ፈሰስ ዝተገበረ ገንዘብን ኣይኮነን፡ ሰብኣዊ ዛንታታት። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣሽሓት ዛንታታት ከኣ ኣለዉ” ክትብል ንቢበሲ ተዛሪባ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cy7dl34p2nro"} {"headline":"ብውሕዱ 6 ሓኾርቲ ጎቦታት ናብ እሳተ ጎመራ ጸዲፎም ከምዝሞቱ ተገሊጹ","content":"ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ሩስያ ግዝኣት ካምቻትካ ኣዝዩ ንጡፍ እሳተ ጎመራ ናብ ዘለዎ ጎቦ ኢዩራስያ ዝሓኹሩ ዝነበሩ ሰባት ወዲቖም፡ ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝሞቱ ሓደ ናይቲ ከባቢ ማዕኸን ዜና ጸብጺቡ። ሰብ ሞያ መድሕን ህይወት ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሕማቕ ኩነታት ኣየር ከድሕንዎም ከምዘይከኣሉ ገሊጾም። ካብቶም ግዳያት ሞት ዝኾኑ ሩስያውያን እቶም ክልተ፡ ኣብ ሓደ ልዕሊ 3300 ሜትሮ ልዕሊ ጸፍሒ ባሕሪ ዝተደኮነ መዓስከር ከምዝነበሩ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ እቶም ዝተረፉ ኣርባዕተ ድማ ኣብ ልዕሊ 4ሽሕ ሜትሮ ጸፍሒ ባሕሪ ዝተደኮነ ቴንዳ ኣዕቝቦም ምንባሮም ተሓቢሩ። ኩሎም እቶም ሓኾርቲ ድማ ዜጋታት ሩስያ ምዃኖም ተፈሊጡ። እቶም ክልተ መራሕቲ ዑደት ዝርከብዎም 12 ብርቱዓት ጉጅለ ሓኾርቲ፡ ናብቲ 4754 ሜትሮ ብራኸ ዘለዎ እምባ ምሕዃር ዝጀመሩ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ከምዝኾነ ተፈሊጡ። እንተኾነ ግና ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ትማሊ ቀዳም እቶም ኣርባዕተ ሓኾርቲ ካብ 4000 ሜትሮ ጸዲፎም ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዝተኣመነ ኮይኑ፡ እቶም ካልኦት ክልተ’ውን ቀጺሎም ከምዝሞቱ ተሓቢሩ። ካብቶም መራሕቲ ዑደት ሓደ ዝኾነ እግሩ ከም ዝተሰበረን እቶም ካልኦት ሰባት ዘለውዎ ኩነታት ግና ከም ዘይተፈልጠ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ። እቲ ዝሓኹርዎ ዝነበሩ ኩሊችየቨስካያ ስፖካ ዝተብሃለ ቦታ፡ ኣካል ናይቲ ብዩኔስኮ ዝተመዝገበ ተፈጥሮኣዊ እሳተ ጎመራ ካማቻትካ ከምዝኾነ ይፍለጥ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cxeg58jyzyro"} {"headline":"ጀርመን ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ንምዕጋት 65 ቢልዮን ዩሮ ባጀት ከምዝሰለዐት ኣፍሊጣ","content":"ብሰንኪ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን፡ ኣብ ኤውሮጳ ንዘጋጠመ ዋሕዲ ቀረብ ጸዓት ነታ ዳርጋ 40% ጸዓት ካብ ሩስያ ክትዕድግ ዝጸንሐት ጀርመን እውን ስለዝጸለዋ እቲ መንግስቲ ንናህሪ ዋጋ ጸዓት ንምዕጋት ኣስታት 65 ቢልዮን ኤውሮ ባጀት ከምዝሰለዐት ኣፍሊጣ። እቲ ባጀት ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ንትካላት ጸዓት ዝተወፈየ ክልተ ተበግሶ ዝዓበየ ኮይኑ፡ ሕጂ ነቶም ቀንዲ ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ናይ ጸዓት ዘቕርቡ ትካላት ንግዲ ብሓደ እዋን ዝኽፈል እዩ። ዋጋታት ጸዓት ሩስያ ንዩክረይን ካብ ዝወረረትሉ ዝሓለፈ ለካቲት ኣትሒዙ ክንህር ጸኒሑ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ እያ እታ ንጸዓት ብዝምልከት ኣብ ጸጋታት ሩስያ ክትምርኮስ ዝጸንሐት ኤውሮጳ ካብ ተጸባይነት ንኽትወጽእ ትጽዕር ዘላ። ዩክረይን ከኣ ሃገራት ኤውሮጳ  ሓቢረን ብጽንዓት ክምክታ ትጽውዕን ትላቦን ኣላ። ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ሩስያ ንቡር ህይወት ነፍሲ ወከፍ ኤውሮጳዊ ዜጋ ከተበላሹ ትጽዕር ከም ዘላ ብምግላጽ ኣብቲ ትማሊ ቀዳም ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሩስያ \"ኣብ ልዕሊ ኵሎም ኤውሮጳውያን ወሳኒ ናይ ጸዓት መጥቃዕቲ ተካይድ ከም ዘላን ሃገራት ኤውሮጳ ብሓድነትን ጽንዓትን ክምክተኦ ከምዘለወን ተዛሪቡ። በዓልቲ ቤቱ ኦሌና ብሰንበት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃለ-መሕትት፡ ሃገራት ኤውሮጳ ብሕብረት ንዩክረይን እንተደጊፈን እቲ ቅልውላው ክሓጽር ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንብሪጣናውያን ናህሪ ዋጋ መነባብሮ እኳ እንተኸበዶም ዩክሬናውያን ግና ህይወቶም ይኸፍሉ ከም ዘለዉ ኣዘኻኺራ። መርበብ ሓበሬታ ፖለቲኮ፡ ሰበ-ስልጣን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ንወተሃደራውን ሰብኣውን ኩነታት ዩክረይን ክሕግዙ ኣብ ዝሕተትሉ ዘለው እዋን፡ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ናይ ግድን ቁጠባዊ ቃንዛ ክስምዖም ከምዝኽእል  ኣጠንቂቖም ኣለዉ። ብሰንበት ኣብ ጐደናታት ርእሰ-ከተማ ቸክ ፕራግ ኣስታት 70,000 ዝዀኑ ሰባት ፡ ካብ ተኸተልቲ የማናንን ጸጋምን ጕጅለታት ፖለቲካ፡ ኣንጻር ናህሪ ዋጋታት ጸዓት ሰላማዊ ሰልፊ ብምውጻእ ኣብ ልዕሊ ሩስያ እተገብረ እገዳ ንኽለዓል ከምዝጸውዑ ፖሊስ እታ ሃገር ገሊጾም። እዚ ከኣ ምልክት ናይቲ ጽባሕ ንግሆ ዝዓቢ ብናህሪ ዋጋ መነባብሮ ዝኽሰት ተቓውሞ እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ኣብ ሰሜናዊ-ምብራቕ ጀርመን ኣብ ዝርከብ ሉቢሚን ዝበሃል ካብ ሩስያ ጋዝ ኣብ ዝኣትወሉ ተርሚናል ናይቲ ብኖርድ ስትሪም ዝፍለጥ መስመር ጋዝ ብኣማእታት ዝቑጸሩ ናዕበኛታት ተኣኪቦም ነይሮም። ንሳቶም፡ እቲ ኖርድ ስትሪም 2 ዝብሃል ኣገልግሎት ጸዓት ክህብ ተዳልዩ ዝነበረ ሩስያ ንዩክረይን ድሕሪ ምውራራ ብመንግስቲ ጀርመን ዝተዓግተ ሓድሽ መስመር ሻምብቆ ንክኽፈት እዮም ዝጽውዑ ነይሮም። ቅድሚ ክልተ መዓልቲ፡ ሩስያ ብመገዲ እቲ ኣቐዲማ እትዝርግሖ ዝነበረት ኖርድ ስትሪም-1 መስመር ሻምብቆ ጋዝ ኣቢላ ናብ ጀርመን እትልእኮ ዝነበረት ጋዝ ንዘይተወሰነ ግዜ ከምእትዓጽዎ ገሊጻ ነይራ። እቲ ምስ ሩስያ ዘራኽብ መስመር፡ ንከም ጀርመን ዝኣመሰላ ሃገራት ካብ ካልእ ቦታ ቀረባት ንክደልያ ኣገዲድወን ኣሎ። እቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ፍርቂ ዝነበረ መኽዘን ነዳዲ ጀርመን ሕጂ ናብ 84% ወሲኹ ኣሎ ። ናይ ጀርመን ቻንስለር ኦላፍ ሾልዝ ንጋዜጠኛታት ጀርመን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ጀርመን ካብ ሩስያ ከይተጸበየት እዚ ክረምቲ ክትሓልፎ ከም እትኽእል ብምርግጋጽ፡ “ ድሕሪ ደጊም ሩስያ ተተኣማምን ናይ ጸዓት መሻርኽቲ ኣይኮነትን\" ኢሉ። ንሱ፡ መንግስቲ ንጥሮተኛታት ተማሃሮን ብመንግስቲ ንዝጥወሩ ሰባትን  ናይ ሓደ-እብረ ክፍሊት ከምዝህብን መጠን ወሰኽ ዋጋ ጸዓት ከምዝድርቶን ተዛሪቡ። ንኣስታት 9,000 ዝኾና ትካላት ንግዲ  ጸዓት 1.7 ቢልዮን ኤውሮ ዝኸውን ናይ ቀረጽ ሕድገት ከምዝግበረለን ሓቢሩ። እቲ ካብ ኩባንያታት ናይ ንፋስ ጸዓት ዝርከብ መኽሰብ ከኣ ንካልእ ወጻኢታት ከም ዘገልግል ሚስተር ሾልዝ ሓቢሩ። እዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ጸዓት ንጀርመን ነቲ ብከሰል ዝሰርሕ መደበር መመንጨዊ ጸዓት ናብ ስራሕ ክትመልሶ ኣገዲዱዋ ኣሎ። ጀርመን ኣብ ርእሲ እዚ ሕጂ ካብ ቅልውላው ጸዓት ንምውጻእ እትኸፍሎ ዘላ  ዳርጋ 100 ቢልዮን ዩሮ ዝግመት ወጻኢ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19  እውን ቁጠባ ጀርመን ንምድጋፍ ኣስታት 300 ቢልዮን ዩሮ ወጸኢ ገይራ እያ። ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዝርከባ ሃገራት እውን ተመሳሳሊ ስጕምቲ እየን ዝወስዳ ዘለዋ ። ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ዓቃባዊ ሰልፊ መራሒት ኮይና ተመሪጻ ዘላ ሊዝ ትሩዝ፡ ዝሓለፈ ሰሉስ ናይ ጸዓት ወጻኢታት ንምሽፋን መደብ ከም እተውጽእ ገሊጻ ኣላ ። ናይ ኤውሮጳ ናይ ጸዓት ሚኒስትራት ብ 9 መስከረም ተራኺቦም ነዚ ናይ ጸዓት ዋጋታት ብኸመይ ከቃልልዎ ከምዝኽእሉ ክዝትዩ እዮም። ብዛዕባ እቲ ኣኼባ ዝወጸ ሰነድ ከምዝሕብሮ፡ እቲ ኣጀንዳ ዋጋ ጋዝን ጸዓትን ክውስንን ንትካላት ንግዲ ጸዓት ሓገዝ ንምሃብ ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c7288x84xn1o"} {"headline":"ሩስያ፡ ንኣሜሪካዊት ኮዀብ ኵዕሶ ሰኪዐት ን9 ዓመት ማእሰርቲ ፈሪዳ","content":"ቤት ፍርዲ ሩስያ፡ ብምዝውዋር ዕጸፋርስ ዝኸሰሳ፡ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ ሰኪዐት ኣሜሪካ ዝዀነት ብሪትኒ ግሪነር ንትሽዓተ ዓመታት ክትእሰር ፈሪዱ። ጓል 31 ዓመት ብሪትኒ ግሪነር፡ የእዳዋ ብመቝሕ ተኣሲራ ካብቲ ቤት ፍርዲ ክትወጽእ እንከላ፡ “ስድራይ ኣዝየ’የ ዘፍቕር” ኢላ ብዓውታ ተዛሪባ። እታ ክልተ ግዜ ንሃገራዊት ጋንታ ኣሜሪካ ወኪላ ኣብ ኦሎምፒክ ዝተሳተፈትን ክልተ ግዜ ወርቂ ዝተሸለመትን ብሪትኒ ግሪነር፡ ናብ ሩስያ ክትኣቱ እንከላ፡ ናብ ዘይቲ [ፈሳሲ] ዝተለወጠ ዕጸፋርስ ሒዛ ምንባራ ኣሚና፣ እንተዀነ “ግርህና ዝተሓወሶ ጌጋ” ምንባሩ ንቤት ፍርዲ ገሊጻ። እቲ ቤት ፍርዲ ግን ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝውዓሎ መጋባእያ፡ ብምስግጋር ዕጸፋርስ ገበነኛ ኰይና ስለዝረኸባ ንትሽዓተ ዓመትን መንፈቕን ክትእሰር ውሳነኡ ኣሕሊፉ። እቲ ቤት ፍርዲ ኣተሓሒዙ፡ ብሪትኒ ግሪነር ካብ ለካቲት ጀሚራ ኣብ ቀይዲ ስለዝጸንሐት ንትሽዓተ ዓመታት ጥራይ ክትእሰር ምዃና ገሊጹ። ጠበቓኣ ማርያ ብላጎቦሊና፡ ብሪትኒ በቲ ፍርዲ “ኣዝያ ሓዚናን ተጨኒቓን” ምህላዋ ገሊጻ። “ብሰሉስ ምስ ተራኸብና፡ ሓሙስ ኣብ ቤት ፍርዲ የራኽበና ክንብላ እንከለና፡ ‘ኣብ ምጾታት የራኽበና’ ዝብል መልሲ እያ ሂባትና፡ ነቲ ዘላቶ ህይወት ምጾታት ኰይኑ’ዩ ዝስምዓ ዘሎ” ኢላ እታ ጠበቓ። ጕጀለ ጠበቓ እዛ ውርይቲ ተጻዋቲት ኩዕሶ ሰኪዐት ይግባይ ክብሉ ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ። እታ ኣብ ዓለም ዝበለጸት ጓል ኣንስተይቲ ተጻዋቲት ኵዕሶ ሰኪዐት ተባሂላ እትግለጽ ብሪትኒ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ናብ ሩስያ ክትኣቱ እንከላ ኣብ ቦርሳኣ ፈሳሲ ዕጸፋርስ ስለዝተረኸባ’ያ ኣብ ቀይዲ ኣትያ። ብሪትኒ፡ እቲ ዝተኣሰረትሉ እዋን፡ ኣብ ኣሜሪካ ጸወታታት ኩዕሶ ሰኪዐት ደው ኢሉ ስለዝነበረ ኣብ ሩስያ ምስ ዝነበራ ጋንታታት ኰይና ጸወታ ንምክያድ’ያ ናብ ሩስያ ገይሻ። እንተዀነ ንሳ ምስ ተኣሰረት ኲናት ሩስያን ዩክረይንን ስለዝተጀመረ፡ ምእሳራ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ሩስያን ዓቢይ ዲፕሎስያዊ ክትዓት ከለዓዕል ክኢሉ’ዩ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነቲ ኣብ ልዕሊ ብሪትኒ ዝተወሃበ ብይን “ዘይቅቡል ፍርዲ” ኢልዎ ኣሎ። ጸሓፊ ጕዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብወገኑ፡ “ንሰባት ብጌጋ ዝኣስራ ዘለዋ ሩስያን ከምኣ ዝኣመሰላ ሃገራትን ሰባት ካብ ሃገሮም ወጺኦም ክጕዓዙ፡ ክሰርሑን ክነብሩን ስግኣት ይፈጥራሎም ኣለዋ” ኢሉ። ኣሜሪካን ሩስያን እሱራት ንምልውዋጥ ዲፕሎማስያዊ ዘተታት ከካይዳ ስለዝጸንሓ፡ ብሪትኒ ክንደይ ዓመታት’ያ ኣብ ሩስያ ክትእሰር ብሕጂ ዝርአ’ዩ ክኸውን። ገለ ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ፡ ብምስግጋር ኣጽዋር ተኸሲሱ ኣብ ኣሜሪካ ተኣሲሩ ዝርከብ ሩስያዊ ቪክቶር ናብ ሩስያ ክርከብ ከምዝኽእል የጋውሓ ኣለዋ። ድሕሪ እቲ ብይን ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ጸጥታ ዋይት ሃውስ ጆን ኪርቢ፡ ሩስያ ነቲ ብኣሜሪካ ዝቐረበ ንብሪትኒ ግሪነርን ምስኣ ተኣሲሩ ዝርከብ ኣሜሪካዊ ፓውል ወላን ዝምልክት ‘ዕቱብ እማመ’ ክትቅበሎ ጸዊዑ ኣሎ። “ኣዝዩ ዕቱብ እማመ’ዩ፡ ክቕበልዎ ኸኣ ንምሕጸን። ቅድሚ ሰሙናት ኢና ኣቕሪብናዮ ሽዕኡ’ውን ክቕበልዎ ነይርዎም” ኢሉ። ብሪትኒ ግሪነር ፍርዳ ምስ ሰምዐት “ግርህና ዝተሓወሶ ጌጋ ፈጺመ’የ፡ እንተዀነ ፍርድኹም መኸተምታ ህይወተይ ከይኸውን ተስፋ እገብር” ክትብል ተሰሚዓ። ንሳ ብተወሳኺ፡ ኣብ ቀይዲ ኣብ ዝኣተወትሉ ገበና ከምዘይተገለጸላን ምስ ጠበቓኣ ክትዘራረብ ዕድል ከመዘይተዋህባን ብምግላጽ፡ ምስቶም ቀየድታ ክትረዳዳእ ዝትርጕመላ ሰብ ስለዘይነበረ ብመተግበሪ [ኣፕሊኬሽን] ተሓጊዛ ክትርድኦም ከምዝተገደደት ንቤት ፍርዲ ገሊጻ።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cg652r1vr0qo"} {"headline":"ዩክረይን ንወተሃደራዊ ማእከል ዕሱብ ጕጅለ ዋግነር ደብዲባ","content":"ዩክረይን ንቐንዲ ወተሃደራዊ ማእከል'ቲ ብዋግነር ዝፍለጥ ሕቡእ ዕሱብ ወተሃደራዊ ጕጅለ ሩስያ ብሚሳይል ከምዝደብደበት ጸብጻባት ሓቢሮም፡፡ ኣብ ማእከል ናይቲ ምስ ገበናት ኲናት ተኣሳሲሩ ዝለዓል ጕጅለ ዝወረደ ጕድኣት ግን ኣይተፈለጠን፡፡ ዋና ኣመሓዳሪ ግዝኣት ሉሃንስክ ከምዝሓበሮ፡ ሓደ ሩስያዊ ጋዜጠኛ ኣድራሻ ናይቲ ማእከል ድሕሪ ምዝርግሑ እዩ እቲ ምስጢራዊ ቦታ ተፈሊጡ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ደጋፊ ሩስያ ዝዀነ ጋዜጠኛ ሰርገይ ስሬዳ፡ ስእልን ኣድራሻን ናይቲ ወተሃደራዊ ማእከል ኣብ ቴሌግራም ለጢፉ፡፡ ኣብቲ ኣብዚ እዋን ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተደምሰሰ ስእሊ፡ ምልክት ኣብ ዘለዎ ኣብ ሉሃንስክ ዝርከብ ጎደና ፖፓስና፡ ሓሙሽተ ወተደራዊ ክዳን ዝተኸደኑ ሰባትን ይረኣዩ፡፡ ዋላ'ኳ ቢቢሲ ኣብ መንጎ እቶም ኣሳእልን እቲ መጥቃዕትን ዘሎ ርክብ ከረጋግጽ እንተዘይከኣለ፡ ኣመሓዳሪ ሰርሂ ሃይዳይ ግን ሓይልታት ዩክረይን ‘‘ሳላ ብሩስያዊ ጋዜጠኛ ዝተረኸበ ኣድራሻ ንቐንዲ ቤት ጽሕፈት ጸላኢ ወቒዖም’’ ብምባል ኣብ ቴሌግራም ጽሒፉ፡፡ ብተወሳኺ በቲ ዕዉት መጥቃዕቲ ቀንዲ ማእከል ዋግነር ከምዝዓነወን በዝሒ ዝሞቱ ንምፍላጥ ምጽራይ ይግበር ከምዘሎን ሓቢሩ፡፡ ጕጅለ ዋግነር፡ ብሩስያ ዝድገፉ ዕጡቓት ኣብ 2014 ንወታሃደራት ዩክረይን ብምድፋእ ንክረምያ ድሕሪ ምቍጽጻሮም እዩ ናብ ክረምያን ዞባ ዶንባስን ተዋፊሩ፡፡ ጕጅለታት ዋግነር ናብ ሶርያ፡ ሊብያ፡ ማሊን ማእከላይ ኣፍሪቃን እውን ተላኢኾም ነይሮም፡፡ ሩስያ ዋግነር ዝበሃል ጕጅለ ምህላዉ ዕላዊ ዘይገበረት ኰይና፡ ትካላት ስለያ ምዕራብ ግን እቲ ጕጅለ ምስ ቭላድሚር ፑቲንን ሰራዊቱን ቅርበት ምስዘለዎ የቭገኒ ፕሪጎዚን የተኣሳስርዎ፡፡ ፕሪጎዚን ልክዕ ከም ካልኦት ሰብመዚ ሩስያ ብምዕራባውያን ማዕቀብ ተገይሩሉ እዩ። ዋግነር ውልቀ ወተሃደራዊ ትካል ከምዝኾነ እዩ ዝፍለጥ። ምዕራባውያን ግን ንድልየት ሩስያ ዘፈጽም ብመንግስቲ ዝምወል ዕሱብ ጕጅለ ከምዝዀነ ይገልጹ። ብተደጋጋሚ ገበናት ኲናትን ጥሕሰት መሰላትን እውን ይኽሰስ እዩ። ካልእ ኮንቲኖክ ዝተባህለ ደጋፊ ሩስያ ጋዜጠኛ እውን፡ \"ካብቶም ኣብ ፖፓስና ዝርከቡ ማእከላት ዋግነር ኣብ ሓዲኡ  መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ኣሎ፡፡ ምንጪታ ዶንባስ ነዚ እዮም ዘረጋግጹ። ምናልባት ሮኬት ‘ሂማርስ’ ይኸውን፣ ምንጪታት ዩክረይን ፕሪጎዚን ከምዝተቐተለ ይጽብጽባ ኣለዋ፤ ንሕና ግን ኣየረጋገጽናን\" ብምባል ኣብ ቴሌግራም ጽሒፉ። ኣብዚ እዋን ሓይልታት ዩክረይን፡ ካብ ዓውደ ኲናት ርሒቘም ዝርከቡ ዒላማታት ሩስያ ንምውቃዕ ዘኽእሎም ብሂማርስ ዝፍለጥ ሮኬት ኣሜሪካ ብበዝሒ ተዓጢቘም ከምዘለዉ እዩ ዝግለጽ። ኣባል ፓርላማ ዩክረይን ኦለክሲ ሆንቻረንኮ እውን፡ \"ድሕሪ ሕጂ ማእከል ዋግነር ኣብ ፖፓስና ኣይክህሉን'ዩ፤ ምስጋና ንሂማርስን ሓይልታት ዩክረይንን\" ክብል ኣብ ፈይስቡክ ጽሒፉ። ገለ ጸብጻባት ዩክረይን በቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዩክሬናውያን ምሩኻት ኣብ ዝተኣሰሩሉ ቤት ማእሰርቲ ተፈጺሙ ብዙሓት ዝቐተለ መጥቃዕቲ፡ ንጕጅለ ዋግነር ተሓታቲ ይገብሩ፡፡ ሩስያ ግን መጥቃዕቲ ኦለኒቭካ ብሓይልታት ዩክረይን ከምዝተፈጸመ ትገልጽ፡፡","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c51exz52p7wo"} {"headline":"ሩስያ፡ ካብ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን እንታይ ትደሊ?","content":"ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ፡ ንዝሓለፉ ሽዱሽተ መዓልታት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ምብጻሕ ክገብር ቀንዩ። እቲ ሚኒስተር፡ ኣብ መወዳእታ ዑደቱ ኣብ ዝበጽሓ ኢትዮጵያ ኰይኑ፡ \"ሃገራት ምዕራብ፡ ኣብ ዓለም ንዘጋጠመ ቅልውላው ዋጋ ነዳድን መግብን ተሓተትቲ እየን\" ኢሉ። ላቭሮቭ፡ ምስ ኢትዮጵያዊ መዘናኡ ደመቀ መኮንንን ካልኦት ላዕለዎት ሰብ መዚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተራኺቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝዘተየ ኰይኑ፡ ክልቲኦም ሰበስልጣን ኣብ ዝሃብዎ ሓበራዊ መግለጺ፡ ውጽኢታዊ ዘተ ከም ዘካየዱ ገሊጾም። \"እቲ ዘተ ውጽኢታዊ ነይሩ፤ ሩስያ ከምቲ ሕሉፍ ንኢትዮጵያ ኣብ መትከልን ሓቅን ዝተሞርኰሰ ድጋፍ ምሃባ ዝንኣድ እዩ። እዚ ተጠናኺሩ ክቕጽል ከም ዘለዎ ተዘራሪብና ኣለና\" ክብል ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻእን ደመቀ መኮንን ተዛሪቡ። ሚኒስትር ላቭሮቭ ብወገኑ፡ \"ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ቍጠባዊ ምትእስሳር ንኽመሓየሽ ክንሰርሕ ኢና\" ኢሉ። ብተወሳኺ፡ “ኣብ ጽዓት፡ ቴሌኮምን ሕርሻን ዘለና ርክባት ተጠናኺሩ ክቕጽል’ዩ፤ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ወተሃደራውን ቴክኒካውን ዓውዲ ጽቡቕ ርክብ’ዩ ዘለወን። ኣብዚ መዳይ’ውን ምትሕብባርና ክጠናኸር እዩ” ክብል ገሊጹ። ንምኽባር ዋጋ መግብን ነዳድን ኣብ ዝምልከት ዛዕባ፡ ሃገራት ምዕራብ ተሓተትቲ እየን ዝበለ ሰርገይ፡ እተን ሃገራት “ብዘይተጨበጠ ምኽንያት ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብትሪሊዮን ዶላር ዝግመት መግቢ” ብምዕዳገን ሕጂ ንዘጋጠመ ቅልውላው ምኽንያት ኰይኑ’ዩ ክብል ተዛሪቡ። “እወ፤ እቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ጉዳይ ኣብቲ ዕዳጋ ተወሳኺ ጽልዋ ፈጢሩ’ዩ፤ ግን ከኣ እዚ ሩስያ ብዝወሰደቶ ስርሒት ዘይኰነ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ትሕዝቶ ኣብ ግምት ከየእተዋ እገዳታት ብምግባረን ዝስዓበ’ዩ” ክብል መብርሂ ሂቡ። ዕላማ እቲ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ከካይዶ ዝቐነየ ምብጻሕ፡ እታ ሃገር ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዋ ርክብ ንምድልዳል ከም ዝዀነ ተገሊጹ ኣሎ። ንምዃኑ፡ ሩስያ ገጻ ናብ ኣፍሪቃ ዘዘረትሉ ምኽንያት እንታይ እዩ? ካብ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃንከ እንታይ ትረክብ? ኢትዮጵያን ሩስያን 124 ዓመታት ዘቝጸረ ክልተኣዊ ርክብ ኣለወን። እዚ ኣብ መንጐ መስፍናዊ ስርዓት ሃጸይ ሚኒሊክን ንጉስ ሩስያ ኒኮላይ ኣሌክሳንድሮቪች ሮማኖቭን ዝጀመረ ምዃኑ ይዝረብ። ብዙሓት ኢትዮጵያውያን፡ ሕብረት ሶቭየት ትብሃል ናብ ዝነበረት ዓባይ ግዝኣት ብምኻድ ተማሂሮም ተመሊሶም’ዮም። ሕጂ’ውን ብትምህርቲ፡ ስራሕን ካልኦት ምኽንያታትን ኣብ ሞስኮ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ወይ ናብራኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሰረቱ ሩስያውያን ምርካብ ልሙድ እዩ። ካብ ግዜ እቲ ንጉስ ጀሚሩ፡ ንኢትዮጵያ ዘመሓደሩ ስርዓታት ምስ ሩስያ ዘለዎም ርክብ ሚዛኑ ሓልዩ ክኸይድ ክገብሩ ከም ዝጸንሑ ይንገር። ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ተባሂሉ ዝፍለጥ ግዜ ዝነበረ ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግ፡ ምስ ሶቭየት ሕብረት ጥቡቕ ርክብ ነይርዎ። ኣብቲ እዋን፡ ኢትዮጵያ ምስቲ ርእሰማላዊ ስርዓተ ቍጠባ ዝመርሖ ምዕራባዊ ደንበ ጥቡቕ ርክብ'ኳ እንተዘይነበራ፡ ምሉእ ብምሉእ ግን ማዕጾኣ ዕጽው ኣይነበረን። ደርግ ምስ ተኣልየ እውን እንተዀነ፡ ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሐን ርክብ ሓርፋፍ ዝበሃል ኣይኰነን፤ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምጽኡ ዝነበረ፡ ብኢህወደግ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጲያ፡ ምስ ኣሜሪካ፡ ቻይናን ሩስያን ዝነበሮ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ጽቡቕ ዝበሃል ከም ዝዀነ ተንተንቲ ይገልጹ። ይዅን’ምበር፡ ኢትዮጵያን ሩስያን ዘለወን ዝምድና፡ ብልክዕ ከምቲ ምስ ቻይና ዘሎ ኣብ ህንጸት ትሕተ ቕርጺ ዝተሞርኰሰ ጥቡቕ ርክብ፡ ወይ’ውን ከምቲ ምስ ኣሜሪካ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ግብረሽበራ ዘሎ ዓይነት ርክብ ኣይኰነን። ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ኲናት ትግራይ ምስ ሃገራት ምዕራብ ዘለዋ ርክብ እናላሕለሐ ከም ዝመጽአ ይፍለጥ። ምስቲ ኲናት ብዝተሓሓዝ፡ ካብ ሕቡራት ሃገራት ጀሚሩ ሃገራት ኤውሮጳን ኣሜሪካን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ክነቕፋኦ ተሰሚዐን እየን። ኣሜሪካ፡ ብሰንኪ እዚ ኲናት፡ ኢትዮጵያ ንዕዳጋ ወጻኢ እተቕርቦም ምህርቲ ዕድል ካብ ዝፈጥር ኣጐዋ ከም ዝኣገደታ ይዝከር። ዓለምለኻዊ ትካላት’ውን፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ውሳነ ንኽሓልፍ ብተደጋጋሚ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ተኣኪቡ ድምጺ ክህብ ገይሮም እዮም። ይዅን’ምበር፡ ሩስያን ቻይናን ኣብቲ ውድብ ዘለወን ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር ስልጣን - ቀውፊ - ተጠቒመን ኣብ ጐኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደው ኢለን እየን። ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ፡ ኢትዮጵያ ካብ ኣሜሪካ ሓያል ጸቕጢ ክበጽሓ ምስ ጀመረ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ “ኢድ ኣእታውነት ኣሜሪካ ደው ይበል” ዝብሉ ሰልፍታት ተራእዮም። ንዝኽሪ በዓል ዓድዋ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ድማ፡ ሩስያ ንዘርኣየቶ ድጋፍ ብምንኣድ፡ ባንዴራ ኢትዮጵያን ሩስያን ማዕረ ኣንበልቢለን። ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይይን ኲናት ምስወልዐት ድማ፡ ትዅረት ማሕበረሰብ ዓለም ናብ ኪቭ ዘይሩ። ሓያላት ሃገራት ንወራር ሩስያ ክዅንና እንከለዋ፡ ኢትዮጵያ ካብ ነቐፌታ ተቘጢባ እቲ ኲናት ብሰላም ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል መግለጺ ሰዲዳ ምንባራ ይዝከር። ካብኡ ሓሊፉ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ውሳነ ንምሕላፍ ድምጺ ሃገራት ክሓትት እንከሎ፡ ኢትዮጵያ ካብቲ ኣኼባ በዂራ። ኣብ ጐድኒ ሩስያ ተሰሊፍና ክንዋጋእ ኢና ዝበሉ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ኢትዮጵያውያን መናእሰይ ድማ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ሩስያ ተሰሊፎም ምንባሮም ዝዝከር እዩ። እቲ ኤምባሲ ግን፡ ቍጹራት ወተሃደራት ንምምዝጋብ ዘውጽኦ ሓበሬታ የለን ኢሉ ነይሩ። እዚ ምዕባለታት፡ ክልቲአን ሃገራት ብሰንኪ እዞም ኲናታት ንዝወርደን ዘሎ ጸቕጢታት ንምጽዋር ንሓድሕደን ክደጋገፋ ዘርእዩ ምዃኖም ተዓዘብቲ ይገልጹ። “ውሽጣዊ ሰላም እንተዘይሃልዩ፡ ዝዀነ ዓይነት ደጋዊ ጸቕጢ ንሓንቲ ሃገር ከንበርክኻ ይኽእል እዩ። ጸጥታ፡ ሰላምን ቍጠባዊ ዕብየትን ምህላው ካብ ምዕራባውያን ይዅን ካብ ቻይናን ሩስያን ክመጽእ ንዝኽእል ጸቕጢ ንምጽዋር ይጠቅም’ዩ” ክብል ተመራማሪ ምብራቕ ኣፍሪቃን መጽናዕቲ ኦሬንታልን ነኣምን ኣሸናፊ ይገልጽ። ወሲኹ፡ ኢትዮጵያ ረብሓኣ ንምሕላው ግሉጽ ፖሊሲ ዝምድናታት ወጻኢ ክህልዋ ኣለዎ ብምባል፡ ኣብ ሃገራት 'ቲ ዞባ'ውን ሰላም ንኽህሉ ከም ዝግባእ የስምረሉ። “ብዛዕባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክንዛረብ እንከለና ኢትዮጵያ ጥራይ ኣይኰነትን እትዋሳእ፤ ኤርትራ፡ ሶማልያን ካልኦትን'ውን ኣለዋ። ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ዘሎ ሰላማዊ ርክብ ረብሓኻ ሓሊኻ ንምኻድ ዝግበር ጕዕዞ’ዩ ዘጠናኽር” ዝብል እምነት ኣለዎ። ኢትዮጵያ፡ ምስ ሃገራት ምዕራብ ይዅን ቻይናን ሩስያን እትምስርቶ ክልተኣዊ ርክብ፡ ረብሓኣ ዘቐደመ እምበር “ፖለቲካውን ቍጠባውን ረብሓ ወይ’ውን ኣጽዋር ንምርካብ” ብዝብል ዝቀያየር ፖሊሲ ክህልዎ የብሉን ኢሉ። ኢትዮጵያ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ዘለዋ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ እናሓርፈፈ ይመጽእ ከምዘሎ እንተተገልጸ፡ መንግስቲ ግን እዚ ልክዕ ከምዘይኰነ እዩ ዝገልጽ። ወሃቢ ቓል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ነበር ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፡ \"ኣብ ታሪኽ፡ ኢትዮጵያ ካብ ርእሰማልነትን ማሕበርነትን ንሓደኡ ክትመርጽ ዝተገደደትሉ ግዜ ነይሩ'ዩ። ሕጂ ዘሎ ኵነታት ግን ከምኡ ኣይኰነን፤ ምስዛ ሃገር እዚኣ'ምበር ምስቲኣ ኣይደልን ዝበሃል ነገር የለን\" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ። ሰርገይ ሕጂ ናብ ኢትዮጵያ ምምጽኡ ድማ ምናልባት ኣብቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን ዘሎ ፍልልይ ብዘተ ንምፍታሕ ድርድር ንምጅማር ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ንምስታፍ ክኸውን ከም ዝኽእል፡ ኣቶ ነኣምን ኣሸናፊ ገሊጹ። ብሓፈሻ እቲ ጕዕዞ፡ ምስቲ ኣሜሪካን ቻይናን ኣብቲ ዞባ ዘለወን ጽልዋ ንምውድዳር ወይ’ውን ካብኡ ዝሓሸ ንምግባር ዝዓለመ ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብል ኣቶ ነኣምን፡ ብቐንዱ ግን “ብመንጽር እቲ ሕጂ ሩስያ ዘላቶን [እቲ ሚኒስተር] ዝገሸለን ሃገራትን ክርአ እንከሎ፡ ኣካል እቲ ዘጋጠማ ዲፕሎማሲያዊ ተነጽሎ ንምስዓር እትገብሮ ቃልሲ ገይረ’የ ዝርእዮ” ይብል። ኢትዮጵያ 40 ሚእታዊት ጠለብ እኽሊ ካብ ዩክረይንን ሩስያን ብዝመጽእ ምህርቲ ከም እትሽፍኖ መረዳእታታት የመልክቱ። ዓለምለኻዊ ንግዲ ዝከታተል ኦብዘርቫቶሪ ኦፍ ኢኮኖሚክስ [ኦኢሲ] ብ2020፡ ሩስያን ስርናይ ሓዊሱ 44.2 ሚሊዮን ዶላር ዘውጽእ ምህርቲ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝልኣኸት ይገልጽ። ኢትዮጵያ ብወገና፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ብብዝሒ ምህርቲ ቡን ዝርከቦም ፍርያት ናብ ሩስያ ከም ዝለኣኸትን፡ እዚኦም 17 ሚሊዮን ዶላር ዝግመቱ ምዃኖም እቲ ትካል የመልክት። ሩስያ፡ ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ንግዳዊ ምልውዋጥ ካብ 2015 ጀሚሩ ብኽልተ ዕጽፊ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ኣብ መንጐ ሩስያን እቲ ኣህጕርን ዘሎ ንግዲ ብገንዘብ ክትመን እንከሎ 20 ቢልዮን ዶላር ዝጽጋዕ ምዃኑ ይዝረብ። ካብ 2015 ጀሚሩ ሩስያ 14 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ምህርቲ ናብ ኣፍሪቃ ክትልእኽ እንከላ፡ ሓሙሽተ ቢልዮን ዶላር ዝግመት ምህርቲ ድማ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣታዊ ገይራ። ሩስያ፡ ዝያዳ ምስ ኤውሮጳን ሃገራት ኤስያን ሰፊሕ ንግዳዊ ምትእስሳር ኣለዋ። ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ክኣ፡ ኣክንዲ ምስ ሩስያ ምስ ህንዲ፡ ቻይናን ኣሜሪካን ጥቡቕ ንግዳዊ ርክብ ኣለወን። ኣሜሪካ፡ ቻይናን ሕብረት ኤውሮጳን ንሃገራት ኣፍሪቃ ድጋፍ ልምዓትን ኢንቨስትመንትን ብምሃብ ይፍለጣ። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ዝነበሮ ዑደት ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ናብ ኣፍሪቃ ገይሹ። ይዅን'ምበር፡ ብዙሓት ሃገራት ዓረብን ሃገራት ኣፍሪቃን ምስ'ዘን ሓያላት ዝበሃላ ሃገራት ዘለወን ርክብ ጽንፊ ሒዘን ከበላሽውኦ ዝደለያ ኣይመስላን። ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ምስ ፈጸመት፡ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ናብ ሓደ ሸነኽ ዘዘንበለ ሓሳብ ካብ ምሃብ ተቘጢበን እየን። እንተዀነ፡ ዜጋታት ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ባንዴራ ሩስያ ሓፍ ኣቢሎም ኣንበልቢሎም፤ ጸንቢሎም'ዮም። ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዕልዋ መንግስቲ ምስ ተኻየደ ዝተሰለፉ ዜጋታት፡ ባንዴራ ሩስያ ሒዞም ተራእዮም። ካብዚ ሓሊፉ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ወራር ሩስያ ንምዅናን ናይ ውሳነ ሓሳብ ከሕልፍ ኣብ ዝተኣከበሉ ግዜ፡ ካብ 54 ሃገራት እተን 28 ጥራይ እየን ደጊፈናኦ። ኣብዚ ጕባኤ ዘይተረኽበት ኢትዮጵያ ግን ድምጻ ኣይሃበትን። ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ብ2020 ሩስያ ኣብ እትኽተሎ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ንኣፍሪቃ ቀዳምነት ከም እትህብ ገሊጹ ነይሩ። እቲ ፕረዚደንት፡ ሃገሩ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዋ ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ርክብ ክጠናኸር ከም እትገብርን ኣብ ምክልኻል፡ ድሕነትን ቍጠባን ሓገዝ ከም እትገብርን'ውን ተዛሪቡ። ኣፍሪቃ፡ ዓባይ ዕዳጋ መሸጣ ኣጽዋር ሩስያ'ኳ እንተዘይኰነት፡ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ግን ኣጽዋር ይዕድግላ እየን። ካብ 2014 ክሳብ 2019 [ኣ.ኤ] ንግብጺ ከይሓወሰ ሩስያ 16 ሚእታዊት ኣጽዋር ናብ ኣፍሪቃ ልኢኻ ምንባራ ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም ይጠቅስ። ሩስያ ብ 25 ቢሊዮን ዶላር [ብለቓሕ] ኣብ ግብጺ ዝሃነጸቶ ፈላማይ ፋብሪካ ኑክሌር’ውን ካልእ መርኣያ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ተሳትፎ እዩ። ካብ 2015 ጀሚሩ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ልዕሊ 20 ሃገራት ምስ ሩስያ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ንምግባር ስምምዕ ገይረን እየን። ኣብ 2017 ጥራይ ሩስያ ምስ ኣንጎላ፡ ናይጄሪያ፡ ሱዳን፡ ማሊ፡ ቡርኪናፋሶን ኢኳቶሪያል ጊኒን ስምምዕ ኣጽዋር ፈሪማ። ነፈርቲ ውግእ፡ ሄሌኮፕተራት መጓዓዝያ፡ ጸረ ሚሳይል ታንክታትን ሞተራት ነፈርቲ ውግእን ድማ ሩስያ ናብ ኣፍሪቃ ካብ ዝልኣኸቶም ኣጽዋራት እዮም። ሩስያ ብወገና፡ ከም ማግኒዥየም፡ ቦክሳይት፡ ክሮሚንየም ዝበሃሉ ኣገደስቲ እታወታት ኢንዳስትሪ ዝዀኑ ማዕድናት ሕጽረት ስለ ዘለዋ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ግሁድ ቍጠባዊ ድልየት ኣለዋ። ኩባንያታት መንግስቲ ሩስያ፡ ኣብ ጊኒ ኣብ ዕደና ቦክሳይት ክዋፈራ እንከለዋ፡ ኣብ ኣንጎላ ድማ ኣልማዝ ንምቝራጽ ስምምዕ ኣለወን። ሩስያ፡ ኣብዚ እዋን ገጻ ናብ ኣፍሪቃ ዘዘረትሉ ምኽንያት፡ እቲ ብሰንኪ ኲናት ዩክረይን ተጓኒፍዋ ዘሎ ተነጽሎ ንምምካት ምዃኑ ተመራማሪ ምብራቕ ኣፍሪቃን መጽናዕቲ ኦሬንታልን ነኣምን ኣሸናፊ ይዛረብ። ሃገራት ምዕራብ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ልዑል ዲፕሎማሲያውን ቍጠባውን ጸቕጢ የውርዳ ምህላወን ብምጥቃስ፡ ነዚ ንምጽዋር ዘኽእል ዝምድናታት ንምእላሽ ሰርገይ ላቭሮቭ ናብ ኣፍሪቃ ምምጽኡ የረድእ። “ሩስያ፡ ድሕሪ ኲናት ዩክረይን ምስ ሃገራት ኤውሮጳ ዘለዋ ርክብ ብፍላይ ድማ ንግዲ ነዳዲ ተኣጓጒሉ’ዩ። ሞስኮ ኣብ ዓለም ዘለዋ ደረጃ ሓፍ ንምባል ወይ’ውን ኣብ ዘለወሉ ንምዕቃብ ድማ ናብ ኣፍሪቃ መጺኣ ኣላ፡” ይብል። ሩስያ፡ ምስ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘለዋ ርክብ “ጽኑዕ” ዝበሃል እዩ ዝብል ነኣምን፡ ኣብቲ ዞባ “ሰራዊት ንኽህልዋ ልዑል ስራሕ ትሰርሕ ኣላ፤ ምስ መንግስቲ ሱዳን ዝኣተወቶ ስምምዕ ምጥቃስ ይክኣል’ዩ” ኢሉ። እዚ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዋ ርክብ ንምጥንኻር ብዝብል ድማ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ጉባኤ ሩስያ-ኣፍሪቃ ኣበጊሳ እያ። ፈላማይ ጉባኤ፡ ኣብ ሩስያዊት ከተማ ሶሺ ክካየድ እንከሎ፡ ኢትዮጵያ እትርከበን መራሕቲ 43 ሃገራት ኣፍሪቃ ተሳቲፎም። ኣብቲ እዋን፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ዕላማና ንኣፍሪቃ ንምክፍፋል ዘይኰነ ምስ ኣፍሪቃ ብሓባር ንምስራሕ እዩ ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ ዘረባ ኣስሚዑ ነይሩ። ኣብቲ ጕባኤ፡ መንግስቲ ሩስያን መራሕቲ ኣፍሪቃን ኣብ ፖለቲካ፡ ድሕነት፡ ንግድን ቍጠባን፡ ሳይንስን ትምህርትን፡ ክሊማዊ ለውጥን ካልኦት ግንባራትን ብሓባር ንምስራሕ ስምምዕ ከም ዝገበሩ ገሊጾም ነይሮም። ካልኣይ ጕባኤ ሩስያ-ኣፍሪቃ ድማ ኣብ ዝቕጽል ዓመት [2023] ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c98j4x980ypo"} {"headline":"ብሊንከን፡ ጽልዋ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ንምዕጋት ዝዓለመ ዑደት ጀሚሩ","content":"ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ጽልዋ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ንምዕጋት ዝዓለመ፡ ኣብ ሰለስተ ሃገራት ዘካይዶ ምብጻሕ ብደቡብ ኣፍሪቃ ጀሚሩ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ፡ ኣብቲ ሃገሩ ምስ ዩክረይን ተካይዶ ዘላ ኲናት ድጋፍ ንምርካብ ናብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ምብጻሕ ምክያዱ ዝዝከር እዩ፡፡ ሃገራት ግብጺ፡ ኮንጎ ብራዛቪል፡ ዩጋንዳን ኢትዮጵያን ላቭሮቭ ዝገሸለን ሃገራት እየን፡፡ ኣብ ጕዕዞኡ ብሰንኪ ኲናት ዩክረይን ኣብ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ሕጽረት ስርናይ ኣመልኪቱ ዝተዛረበ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፡ ነቲ ዘጋጠመ ሕጽረት ምግቢ ምዕራባውያን ሃገራት ተሓተትቲ እየን ኢሉ ነይሩ፡፡ \"ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ልዕልና ንምርካብ ይፍትና ኣለዋ\" ብምባል ድማ ነቲ ሃገሩ ኣብ ዓለም ሕጽረት ምግቢ ከጋጥም ጠንቂ ኰይና ዝብል ክሲ ነጺጕ፡፡ ሩስያ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ብፍላይ ኣብ ሃገራት ዓረብን ኣፍሪቃን ከቢድ ሕጽረት ምግቢ ኣስዒቡ እዩ፡፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ነቲ ሃገራት ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ክዅንና ምዕራባውያን ዘውጽኣኦ ጻውዒት ብምንጻግ፡ ዘይሻራዊት ኰይና እያ ጸኒሓ፡፡ ብሊንከን ድሕሪ ፕሪቶርያ ናብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ርዋንዳን ክበጽሕ እዩ፡፡ ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ ጎንጺ ዓሲልሉ ኣብዘሎ እዋን፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ጎረባብቲ ሃገራት ወጥሪ ሰፊኑ ይርከብ፡፡","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4nzkpkznn4o"} {"headline":"ኲናት ዩክረይን ንክሬምያ ሓራ ብምውጻእ ክዛዘም ኣለዎ- ዘለንስኪ","content":"ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ኣብ ክሬምያ ዝተጀመረ ኲናት ዩክረይን ንክሬምያ ሓራ ብምውጻእ ክዛዘም ኣለዎ ኢሉ፡፡ ንሱ ድሕሪ እቲ ኣብ ማእከል ሓይሊ ኣየር ሩስያ፡ ሓደ ሰብ ዝቐተለ ነትጒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እዩ ነቲ ሓሳብ ሂቡ፡፡ ዋላኳ ኣብ ዘረብኡ ብዛዕባ እቲ ነትጒ ዝበሎ ነገር እንተዘይሃለወ፡ ሙሉእ መልእኽቱ ክሬምያ ዝምልከት እዩ ነይሩ፡ ‘‘ክሬምያ ዩክሬናዊት እያ፤ ኣይንገድፋን’’ ድማ ኢሉ፡፡ ሩስያ እቲ ነትጒ ቀሊል ምዃኑ ክትገልጽ እንከላ፡ ሓደ ላዕለዋይ ዩክሬናዊ ኣማኻሪ ድማ ብዩክረይን ከምዘይተፈጸመ ሓቢሩ፡፡ ኣካል ዩክረይን ዝነበረት ክሬምያ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ 2014 ዝተኻየደን ማሕበረሰብ ዓለም ዘይተቐበሎን ህዝበ ውሳነ ብሓይሊ'ያ ናብ ሩስያ ተወሲዳ፡፡ ብዙሓት ዩክሬናውያን ምስ ሩስያ ዘካይድዎ ኲናት ኣብቲ እዋን ከምዝጀመረ እዮም ዝኣምኑ፡፡ ብሰሉስ ኣብ ምዕራባዊ ክሬምያ ኣብ ዝርከብ ሳኪ ዝተባህለ ወታሃደራዊ ማእከል ተኸታታሊ ነትጒታት ተሰሚዑ፡፡ ሩስያ እቲ ፍጻመ ብነትጒ ኣጽዋር ዘጋጠመ ከምዝኾነ ኣፍሊጣ ኣላ፣ ብሳልሳይ ወገን ግን ኣይተረጋገጸን፡፡ ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ክሬምያ መጥቃዕቲ እንተፈጺማ ከቢድ ሳዕቤን ከምዝህልዎ እያ ሩስያ እትገልጽ፡፡ ብዛዕባ እታ ደሴት ነዊሕ ዝተዛረበ ዘለንስኪ ግና ሓርነት እታ ግዝኣት ዘይተርፍ ምዃኑ ተሓንዩ፡፡ ‘‘እዚ ናይ ሩስያ ኲናት ብክሬምያ እዩ ተጀሚሩ፤ ብክሬምያ እውን ክውዳእ ኣለዎ… ሓራ ኮይና’’ ኢሉ፡፡ እዚ ርእይቶ ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ዩክረይን፡ እቲ ኲናት ቅድሚ ምዝዛሙ ንክረምያ ዳግማይ ናብ ግዝኣታ ክተእቱ ከምዘለዋ ዘመላኽት ክኸውን እንከሎ፣ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝጸንሖ መርገጺ ዝተፈለየ እዩ። ንሱ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ሩስያ ቅድሚ 24 ለካቲት ናብ ዝነበረቶ ቦታታት እንድሕር ተመሊሳ ሃገሩ ሰላም ከምእትቕበልን ጉዳይ ክሬምያ ቅድመ ኩነት ከምዘይኸውንን ገሊጹ ነይሩ፡፡ ሩስያ ኣብቲ ብ 24 ለካቲት ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ንዝጀመረቶ ወራር ነታ ግዝኣት ከም መበገሲ ተጠቒማትላ እያ፡፡","category":"ሩስያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyd45e388qno"} {"headline":"ሩስያ ናብ ዶባዊ ኲናት ንዝኣተዋ ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ክተላዝብ እያ","content":"ሩስያ፡ ነቲ ንኣርመንያን ኣዘርባጃንን ንዓሰርተታት ዓመታት ከዋጥጠን ዝፀንሐን ሕዚ ድማ ምኽንያት ሓድሽ ውግእ ኮይኑ ዘሎን ጉዳይ ግዝኣት ኖጎርኖ-ካራባህ ንከብቅዕ፡ ንክልቴአን ሃገራት ክተላዝብ ተበጊሳ። ንክልቲአን ሃገራት ፃውዒት ዘተ ሰላም ዘቕረበ፡ ሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ፡ ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ንኩናት ካብ ምምዳር ክቑጠባ ጸዊዑ። ኣብ ሞንጎ ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ብዝተኸፈተ ኩናት፡ ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚሩ፡ ልዕሊ 100 ሰባት ዝሞቱ ኮይኖም፡ እዚ ድማ ግዝኣት ኖጎርኖ-ካራባህ ይግበኣኒ ብዝብል፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ንዓመታት ካብ ዝተኻየዱ ውግኣት እቲ ዝኸፈአ ይገብሮ። ዋላ እኳ ኖጎርኖ-ናካርባህ፡ ብወግዒ ግዝኣት ኣዘርባጃን እንተኾነት፡ ብኣርመንያውያን እያ ትመሓደር ዘላ። ቅድሚ ሕዚ፡ ኣካል ሶቭየት ሪፐብሊክ ዝነበራ እዘን ሃገራት፡ ካብ 1988 ክሳብ 1994 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ብሰንኪ ግዝኣት ኖጎርኖ-ካራባህ ናብ ኩናት ኣምሪሐን ተዋጊአን እየን። ሕዚ እውን እንተኾነ ዓለም-ለኸ ሓይልታት ናብዚ ጎንፂ ክፅምበራ እየን ዝብሉ ስግኣታት ሰማይ ይዓርግ ኣሎ። ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ላቭሮቭ ትማሊ ረቡዕ፡ ናብ ሚኒስተራት ወፃኢ ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ብምድዋል፡ ሩስያ ንክልቲኤን ሃገራት ክተላዝበን ድልውቲ ምዃና ሓቢሩ። ቤት-ፅሕፈት ፕረዝደንት ሩስያ’ውን፡ ፕረዝደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ምስ ፕረዝደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብዚ ጉዳይ ብስልኪ ከምዝዘተየን፡ ጉጅለ ምትሕብባርን ፀጥታን ኣውሮጳ (ሚንስክ) ነዚ ጉዳይ ንምፍታሕ ከምዝሰርሕን ኣፍሊጡ ኣሎ። መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት፡ ብቀጥታ ተኹሲ ደው ከብሉ ተደጋጋሚ ፃውዒት ቀሪብሎም እዩ። ምስ ኣርመንያ ወተሃደራዊ ሽርክና ዘለዋን ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ኣርመንያ ወተሃደራዊ መዓስከር ዘለዋን ሩስያ፡ ምስ መንግስቲ ኣዘርባጃን’ውን ጥቡቕ ርክብ ኣለዋ። እዚ ሕዚ ኣብ ሞንጎ ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ተወሊዑ ዘሎ ሓድሽ ኩናት፡ መሊሱ ዝተበገሰሉ ምኽንያት ግልፂ ኣይኮነን። ፕረዝደንት ኣዘርባጃን ኢልሃም ኣሊየቭ ግና ትማሊ ረቡዕ፡ ወተሃደራት ኣርመንያ ካብታ ግዝኣታ ክሳብ ዝወፅኡ ከምዝዋግኡ ፈኺሩ። “ሓደ ቅድመ ኩነት ጥራሕ እዩ ዘለና። ወተሃደራት ኣርመንያ ብዘይ ቅድመ ኩነት፡ ምሉእ ብምሉእ ብቅልጡፍ ካብ መሬትና ክወፅኡ ኣለዎም” ኢሉ። ኣዘርባጃን ብወገና፡ ክልተ ናይ “ፀላኢ” ታንክታት ኩናት ከምዝዓነዋ ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ (ቪድዮ) ዕላዊ ዝገበረት እንትትኾን፡ ቦጦሎኒ ኣርመንያ ካብ ከባቢ ቁሸት ቶናሸን ከምዝሃደመን ገሊፃ። ትማሊ ረቡዕ ኣዘርባጃን ኣብ ማርታከርት ዝተባህለ ቦታ ብዝፈፀመቶ ደብዳብ፡ ሰለስተ ሰለማውያን ከምዘተቐተሉ መራኸቢ ሓፋሽ ኣርመንያ ፀብፂቡ። ከም ሓበሬታ ወኪል ዜና መንግስቲ እታ ሃገር ኣርመንፕረስ ድማ፡ እቲ ውግእ ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ሸውዓተ ሲቪላትን 80 ወተሃደራትን ተቐቲሎም። ካብዚ ብተወሳኺ ሚኒስተር ምክልኻል ኣርመንያ፡ ብቱርኪ ኤፍ-16 ናይ ዝተወቕዐት ጀት ኤስዩ-25 ዘርእይ ምስሊ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ። መሻርኽቲ ኣዘርባጃን ዝኾነት ቱርኪ ግና፡ ንክሲ ኣርመንያ “ሕሳር ፕሮፖጋንዳ” ብምባል ነፂጋቶ። ይኹን’ምበር ሓደ ወተሃደር፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ሰሜን ሶርያ ከምዝተመልመለን፡ ናብቲ ኩናት ብቱርኪ ኣቢሉ ከምዝተልኣኸን ንቢበሲ ዓረብኛ ገሊፁ እዩ። ኣማኻሪ ፕረዝደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይፕ ኤርዶኻን ዝኾነ ኤልኑር ሴቪክ ግና፡ ነዚ ፀብፃብ “ምሉእ ብምሉእ ዘየለ” ክብል ተቓዊምዎ። እዚ ውግእ ኣብ ሞንጎ ኣባል ኔቶ ዝኾና ሃገራት ፈረንሳን ቱርክን ውጥረት ኣስፊኑ'ሎ። ፈረንሳይ መንበሪት ብዙሓት ኣርመናውያን እንትትኾን፡ ቱርኪ ድማ ኣብ ኣዘርባጃን ንዝርከቡ ቱርካውያን ትድግፍ። ሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ቱርኪ ሜቭሉት ካቩሶግሉ፡ ፈረንሳን “ንኣርመንያውያን ትድግፍ እያ” ክብል ትማሊ ረቡዕ ከሲሱ። ነዚ ምላሽ ዝሃበ ፕረዝደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ድማ፡ ካብ ቱርኪ ንዝመፅኡ “ኩናታዊ ቃላት” ነቒፉ። ቤት-ፅሕፈት ፕረዝደንት ሩስያ ድማ፡ ፕረዝደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ምስ ፕረዝደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ጉዳይ ክረምሊን ብስልኪ ከምዝዘተዩን፡ ጉጅለ ምትሕብባርን ፀጥታን ኣውሮጳ (ሚንስክ) ነዚ ጉዳይ ንምፍታሕ ከምዝሰርሕን ኣፍሊጡ ኣሎ። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ብ 1992 ዝተጣየሸ ጉጅለ ሚንስክ፡ ብሃገራት ፈረንሳይ፣ ሩስያን ኣሜሪካን ዝምራሕ እዩ።","category":"ቭላድሚር ፑቲን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54369162"} {"headline":"ጆ ባይደን፡ ኣብ ፈላማይ ዓለም ለኻዊ መገሽኡ፡ ንፕረዚደንት ፑቲን ኣጠንቂቑ","content":"ጆ ባይደን ፕረዚደንት ኣመሪካ ኾይኑ ካብ ዝምረጽ ንደሓር ንፈለማ እዋን ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ዓለም ለኻዊ መገሻ ዓዲ እንግሊዝ፡ ብዛዕባ 'ጎዳእቲ ተግባራት' ሩስያ ብዝዛመድ ንፕረዚደንት ፑቲን ኣጠንቂቕዎ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ኣብዚ ፈላማይ ፕረዚደንታዊ መገሽኡ፡ ሩስያ ነቶም እትገብሮም ዘላ ‘ጎዳእቲ ተግባራት’ ጠጠው እንተዘየኣቢላ ‘ትርጉም ዘለዎም ሳዕቤናት’ ከምዝኽተልዋ ኣፍሊጡ። ባይደን፡ ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ ዝተበላሸወ ዓለማዊ ርክባት ኣመሪካ ንምምሕያሽ ከምዝዓለመ ግልጺ ገይሩ እዩ። ንሱ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ትማሊ ረቡዕ እዩ በጺሑ። ምስ ፕረዚደንት ቦሪስ ጆንሰን ተራኺቡ ‘ኣትላንቲክ ቻርተር’ ዝተሰምየ ስምምዕ ክፍርሙ ምዃኖም ድማ ይዝረብ ኣሎ። እዚ ድማ፡ ኣብ 1941 ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ዊንሰተን ቸርችልን ፍራንክሊን ሮዝቨልትን ዝተፈረመ ኣብ ጉዳይ ከባብያዊ ኣየርን ድሕነትን ዘተኮረ ስምምዕ፡ ንምዝማን ዝዓለመ እዩ ተባሂሉ። ፖሊቲካዊ ኢዲተር ቢቢሲ ለውራ ክዋንስበርግ፡ ኣብ እዋን ትራምፕ ዝተበላሸዉ ርክባትን ጸቕጥታት ኮሮናቫይረስን ስዒቡ፡ ርክባት ክልቲአን ሃገራት ከምሓድሽ ንምህዳስ ዝዓለመ ክኸውን እዩ ኢሉ። ጆ ባይደን፡ ኣብዚ ናይ 8 መዓልታት ጻንሒቱ ምስ ንግስቲ ኤሌሳቤጥ ኣብ ዊንድሶር ካስትል ከምዝራኸብ፤ ኣብ ኣኼባ ጉጅለ-7 ከምዝሕወስን ከም ሓደ ፕረዚደንት ኣመሪካ ድማ ንፈለማ እዋን ናይ ኔቶ [ሰሜናዊ ኣትላንቲክ ቃልኪዳን] ኣኼባ ከምዝካፈልን ምፍላጥ ተኻኢሉ። ኣብ መወዳእታ ግን ኣብ ከተማ ጀኔቫ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ክራኸብ ምዃኑ እዩ ተገሊጹ። ካብ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ጻንሒቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ኣብ ዝኾነኑ ጉዳያት ክዘራረቡ እዮም። ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ምቁጽጻር ኣጽዋር ውግእ፣ ኩነታት ለውጢ ኣየር፣ ወተሃደራዊ ምትእታታዋት ሩስያ ኣብ ዩክረይን፣ ኣብ ጉዳይ ሰርሰርቲ ሩስያ ከምኡ’ውን ኣብ ጉዳይ ማእሰርቲ ተቓዋሚ ኣሌክሲ ናቫልኒ ክዝተዩ ትጽቢት ይግበር። ሰለስተ ምስቲ እሱር ተቓዋሚ ርክባት ኣለዎም ዝተብሃሉ ውድባት ፖለቲካ ‘ሕሉፋት’ ተባሂሎም ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ብቤትፍርዲ ሞስኮ ተኣጊዶም ኣለዉ። ባይደን፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ምብጋሱ ቅድሚ ናብ ነፋሪት ምእታዉ ንወተሃደራት ኣመሪካን ስድረኦምን ኣብ ዘዛረበሉ እዋን እዩ ንፕረዚደንት ሩስያ ግልጺ ዝኾነ መልእኽቱ ከሕልፈሉ ምዃኑ ዝተዛረበ። “ምስ ሩስያ ጎንጺ ኣይኮናን ነጓሃህር ዘለና፤ ዝተረጋገአን ዝግመትን ርክባት ክምስረት ኢና ንደሊ። ኣብዚ ጉዳይ ግልጺ እየ። እንተኾነ ሩስያ በቲ ሒዛቶ ዘላ እንተቐጺላን ጎዳእቲ ተግባራት ካብ ምግባር ዘይትቑጠብ እንተኾይናን ግና፡ ኣመሪካ ትርጉም ብዘለዎ መገዲ ምላሽ ክትህበሉ እያ ” ክብል ተዛሪቡ። ርክባት ኣመሪካን ሩስያን ብሰንኪ ገለ ዛዕባታት ተዘሪጉ'ዩ ጸኒሑ። ፑቲን፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ መራሕቲ ምዕራባውያን ንሩስያ ሽማሽም እናሃቡ የልዕልዋ ኣለዉ ኢሉ ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ‘ቀይሕ መስመር’ ከይሓልፉ ኣጠንቂቑ ነይሩ። ጆ ባደን ከምዝበሎ፡ ኣብ ሕድሕድ ርክባት ወጻኢኡ ኣመሪካ ናብ ንቡር ተመሊሳ ከምዘላን፡ ዲሞክራስያዊ ሃገራት ዓለም ምትሕብባራት ብምግባር ነቶም ዝጎበጡ ነገራት ንምቕናዕ ኣብ ዘገድሱ ጉዳያት ሓቢርካ ንምስራሕ ድልው ምዃኑ ከረጋግጽ ከምዝደሊ ኣብሪሁ። ካልኦት መራሕቲ ኣባል ሃገራት ጉጅለ 7 ‘ውን ጽባሕ ዓርቢ ክበጽሑ ትጽቢት ዝግበረሎም ኮይኑ፡ ኣብ መጻኢ ቀዳመ ሰንበት ዓቢ ኣኼባ ከምዝሳለጥ ተፈሊጡ። ጂ7 ካብ ዓለምና ኣዝየን ዝማዕበላ 7 ሃገራት ማለት’ውን ካናዳ፣ ፈረንሳይ፣ ጀርመኒ፣ ጣልያን፣ ጃፓን፣ እንግሊዝ፣ ኣመሪካ ከምኡ’ውን ሕብረት ኣውሮፓ ኣባል ዝኾንሉ ድልዱል ማሕበር እዩ። ቀንዲ ዛዕባ ኣኼባ ጂ7 እዚ እዋን፡ ካብ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብኸመይ ምሕዋይ ይከኣል ዝብልን፡ ንሓዋሩ ካብ ተመሳሳሊ ጉድኣት ንምክልኻል፡ ብቐሊሉ ዘይዳኸም ስርዓተ ጥዕና ብኸመይ ምህናጽ ይካኣል ዝብል ይርከቦ። ቦሪስ ጆንሰን ታይምስ ኣብ ዝተብሃለ መጽሄት ኣብ ዝወጽአ ጽሕፉ፡ ዓለም ብተመሳሳሊ ኩነታት ዘይትጥቀዐሉ ኩነታት ምፍጣር ኣድላይነት ኣመልኪቱ ክስራሕ ዝግበኦ ነገር ኣንፊቱ ኣሎ። ምምሕዳር ባይደን ብወገኑ፡ ኣብ መጻኢ ክልተ ዓመታት 500 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ፋይዘር ንኣስታት 100 ሃገራት ከከፋፍል ትልሚ ሒዙ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ። ዓለማዊ ንግድን ዛዕባ ክሊማን ኣጀንዳ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተፈሊጡ ኣሎ። ካልኦት እዋናዊ ጉዳያት’ውን ክዝተዩ ከምዝኽእሉ ይግመት። ባይደን ኣብ መንጎ እንግሊዝን ሕብት ኣውሮጳን ዘሎ ዘይምቅድዳው’ውን ንሰላም ሰሜን ኣየርላንድ ክጎድእ ከምዝኽእል ንመራሕቲ ከስምዕ ክፍትን ምዃኑ ይግለጽ። ካብኡ ቀጺሉ ድማ፡ ባይደን ምስ ቃልኪዳን ሰሜናዊ ኣትላንቲክ ምስ መራሕቲ ሕብረት ኣውሮጳን ዝርርብ ክቕጽለሉ እዩ ተባሂሉ። ርክባት ኣመሪካ ምስ ኔቶ ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ ተዘሪጉ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ተረኺቡ ዝርርብ ዘካየደ ዋና ጸሓፊ ኔቶ፤ ባይደን ምስ መሻርኽቲ ኣመሪካ ተሪሩ ነንምስራሕ ዘለዎ ድልውነት ሓያል እዩ ኢሉ።","category":"ቭላድሚር ፑቲን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57426573"} {"headline":"ኣዋጅ ክተት ዕቑር ሰራዊት ሩስያ ተፈሪሙ","content":"ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብታ ሃገር ዘለዉ ኣስታት 300 ሽሕ ዕቑር ሰራዊት ክኸቱ ኣብቲ ብቴሌቭዥን ዘሕለፎ መልእኽቲ ኣዚዙ። ኣመሪካ ነቲ ሩስያ ኣብ ቁጽጽራ ኣእትያቶ ዘላ ግዝኣት ዩክረይን ብሪፈረንደም መዕለቢ ክረክብ'ዩ ንዝብል መርገጺ ሩስያ ኮኒናቶ'ላ።","category":"ቭላድሚር ፑቲን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1y729el8vo"} {"headline":"ፖለቲካ 'መርዛም' ስለዝዀነ ክኣቱ ኣይደልን'የ - ግሬታ ተንበርግ","content":"ተሓላቒት ክሊማ ግሬታ ተንበርግ፡ ፖለቲካ ኣዝዩ “መርዛም” ስለ ዝዀነ ኣብ ፖለቲካ ክትኣቱ ከም ዘይትደሊ ተዛሪባ። እዛ ስዊድናዊት ንእስቲ፡ ኣብ 2018 ትምህርታ ብምቁራጽ ክሊማዊ ለውጢ ንምቅላስ ዓለምለኻዊ ቃልሲ ንክለዓዓል ብምግባር ጸላዊት ከም ዝዀነት ይፍለጥ። ጓል 19 ዓመት ግሬታ፡ እቲ ኣድላዪ ለውጢ “ካብ ደገ እኹል ህዝባዊ ጸቕጢ ምስ ዝህሉ ጥራይ’ዩ ዝመጽእ፤ እዚ ድማ ንሕና እንፈጥሮ’ዩ” ኢላ። ገጽ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ክትከውን ድማ ፈጺማ ሓሲባቶ ከም ዘይትፈልጥ ተዛሪባ። “ብዙሕ ሓላፍነት እዩ። ሓሓሊፉ ክሓስቦ እንከለኹ፡ ‘ተስፋ ዓለም ኣብ መንኩብ ሓይሎም ዝወድኡ መናእሰይ ዝምርኰስ እንተዀይኑ፡ ጽቡቕ ኣይኰነን’ እየ ዝብል” ኢላ። መበል 27 ዋዕላ ማዕቀፍ ክሊማዊ ለውጢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት [ኮፕ-27] ካብ 6 ክሳብ 18 ሕዳር ኣብ ግብጺ ክካየድ’ዩ፤ ግሬታ ግን ኣብቲ ዋዕላ ኣይክትርከብን። “ኣብኡ ኣይድለን፤ ካልኦት ብክሊማዊ ለውጢ ኣዝዮም ካብ ዝተጠቕዑ ከባቢታት ዝመጽኡ ዝሳተፉ ሰባት ክህልው’ዮም። ናቶም ድምጺ ክኣ ዚያዳ ኣገዳሲ’ዩ ኢለ እሓስብ” ትብል። ተንበርግ፡ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ዕላል፡ በቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝበጽሓ መድሃልቲ ከም ዘይጸለወት ገሊጻ። “ኣነ ዚያዳ ዘጨንቐኒ፡ ሰባት ብዛዕባይ ክሕስው እንከለውን ከም ናይ ውዲታዊ ክልሰ - ሓሳባት ክዝርግሑ እንከለውን’ዩ - ምኽንያቱ ኣነ ክሕሱ ኣይኽእልን። ስለዚ ካልኦት ሰባት ብዛዕባይ ክሕስው እንከለው ‘ኣይፋል’ እየ ዝብል።” ተንበርግ፡ ብፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲንን ዶናልድ ትራምፕን ሓዊሱ ብብዙሓት መራሕቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዒላማ ተገይራ እያ። ከምኡ ከጋጥም እንከሎ፡ ኣብ ትዊተር መለለዪ ስእላ [ፕሮፋይል] ብምቕያር እያ መልሲ ትህብ። “ናይ ብሓቂ መስሓቕ ኰይኑ’ዩ ዝስምዓኒ፤ ማለት እቶም ሓያላት ሰባት ብመንእሰያት ክፈርሑ እንከለው - መስሓቕ’ዩ። እዚ ኽኣ ካባይ ንላዕሊ ዝያዳ ብዛዕብኦም ዝገልጽ እዩ” ኢላ። ኣብዚ እዋን፡ ተንበርግ ብዛዕባ ክሊማዊ ለውጢ ግንዛበ ከትሕዝ ኣብ ዝኽእል ሓጸርቲ ጽሑፋት ብርክት ዝበሉ ክኢላታት ዘተኣኻኸበ መጽሓፍ ኣብ ምድላው ትርከብ።","category":"ቭላድሚር ፑቲን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cjqw7kx1g3wo"} {"headline":"ኣብ ታዕሊም ዝነበሩ 11 ሰባት ተቐቲሎም","content":"ኣብ ሩስያ ትማሊ ቀዳም ክልተ ዕጡቓት ኣብ ሓደ ማእከል ወተሃደራዊ ታዕሊም ብዝኸፈትዎ ተዅሲ፡ ዓሰርተ ሓደ ሰባት ከምዝቐተሉ ተገሊጹ። ኣብቲ ብዛዕባ ኣተዃኹሳ ስልጠና ዝወሃበሉ ዝነበረ ግዜ፡ ክልተ ሰባት ኣብ ልዕሊ እቶም ብወለንታኦም ኣንጻር ሰራዊት ዩክረይን ክዋግኡ ዝኸተቱ ተዓለምቲ ተዅሲ ከምዝኸፈቱ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሪያ ሓቢሩ። እቶም መጥቃዕቲ ዝኸፈቱ ውልቀ ሰባት፡ ተወለድቲ እታ ሪፐብሊክ ሶቭየት ነበር ከምዝዀኑ፡ ሚኒስትሪ ሓይልታት ምክልኻል ሩስያ ኣፍሊጡ፤ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይሃበን። እቶም ኣብ ልዕሊ ተዓለምቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ኣብቲ ሩስያ ምስ ዩክረይን ዝዳወብ ግዝኣት ቤልጎርድ ከምዝተቐተሉ ተፈሊጡ። በቲ መጥቃዕቲ ካልኦት 15 ሰባት ቈሲሎም። ሓይልታት ምክልኻል ሩስያ፡ “እቶም ኣሸበርቲ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ተካይዶ ኣብ ዘላ ወተሃደራዊ ስርሒት ብፍቓዶም ክኸቱ ተመልሚሎም ታዕሊም ዝወስዱ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሰባት መጥቃዕቲ ከፊቶም” ከምዝበለ እታ መንግስታዊት ማዕከን ዜና ኣቃሊሓ። ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ድማ 11 ሰባት ሽዑ ንሽዑ ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት 15 ሰባት ዝተፈላለየ መጕዳእቲ ኣጋጢምዎም ናብ ማእከላት ሕክምና ተወሲዶም። ካብ ነበርቲ ግዝኣት ቤልጎሮድ፡ ሞት ይዅን መቝሰልቲ ዝገጠሞ ከምዘየለ ኣመሓዳሪ እቲ ከባቢ ሓቢሩ። ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ኣስታት 300 ሽሕ ቅድሚ ሕጂ ታዕሊም ዝወሰዱ ኣባላት ዕቝር ሰራዊት እታ ሃገር ክኸቱ ከምዝጸውዐ ዝፍለጥ’ዩ። እቲ ኣዋጅ ክተት ኣብ ሩስያ ናዕብታት ዘለዓዓለ ኰይኑ ገለ ሰባት ድማ ካብታ ሃገር ክሃድሙ ይፍትኑ ከምዘለዉ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ። ክተት ድሕሪ ምእዋጁ ሓደ መልማሊ ወተሃደራት ኣብ ሳበርያ ብጥይት ከም ዝተቐትለ ይዝከር። ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት ከምዝኸተቱን ተወሳኺ ዝኸትት ሓይሊ ከምዘየድልን ኣፍሊጡ ነይሩ።","category":"ቭላድሚር ፑቲን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cx8ww9l9p01o"} {"headline":"ሩሲያ ‘ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ሰፊሕ መጥቃዕቲ’ ክትፍንው ከምእትኽእል ኣመሪካ ኣጠንቂቓ","content":"ፕረዝደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ብዛዕባ እታ ዓብይ ወጥሪ ዓሲልዋ ዘሎ ዩክሬን ኣብ መጻኢ ሰሉስ ብቪድዮ ክዘራረቡ ምዃኖም ምፍላጥ ተኻኢሉ። ኣብዚ ሰሙን፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን \"መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ከምዝተለመት” ዘርኢ መረዳእታ ኣመሪካ ከምዘረኸበት ገሊጹ ነይሩ። እንተኾነ፡ ፕሬዚዳንት ፑቲን ንዩክሬን ንምውራር ናይ መወዳእታ ውሳነ ከምዝበጽሐ ግልጺ ኣይኮነን ኢሉ። ሩስያ ብወገና፡ ናይ ምጥቃዕ ኾነ ናይ ምውራር ሓሳብ ከምዘይብላ ውድቂ ገይራ፡ እኳ ደኣስ ዩክሬን ሰራዊታ ብዝለዓለ ብርኪ ተበርትዕ ከምዘላ ከሲሳ። ፕሬስ ሴክሬተርያት ዋይት ሃውስ፡ ጄን ሳኪ፡ ብቀዳም ኣማስዩ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ጉዳይ’ቲ ኣብ ሩስያን ዩክሬንን ዘዋስን ዶብ ዘሎ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስን ከምኡ’ውን ኣመሪካ ንግዝኣታዊ ሓድነት ዩክሬን ዘለዋ መርገጺ ከፍልጥ ምዃኑ ኣብሪሁ። ዩክሬን፡ ሩስያ ኣብ ከባቢ ዶብ ዕጥቂ ዝሓዙ ተሽከርከርትን ኤሌክትሮኒክስ መሳርሒ ኲናትን ከምኡ’ውን ኣስታት 94 ሽሕ ወተሃደራት ኣጸጊዓ ከምእትርከብ ከሲሳ። ሩስያ፡ ኣብ 2014 ግዝኣት ክሪሚያን ካብ ዩክሬን ምስ ኣሕደገት ልዑል ቁጽሪ ዘለዎ ኣጽዋርን ሰራዊትን ናብቲ ከባቢ ክተጽግዕ ንመጀመርታ እዋን እዩ። ሚኒስትር ምክልኻል ዩክሬን ኦሌክሲይ ሬዝኒኮቭ፡ ጸብጻባት ድሕነት ብምጥቃስ ሩስያ ኣብ ወርሒ ጥሪ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ተዳልያ ከምዘላ ተዛሪቡ። እቲ ሕዚ ዝረአ ዘሎ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ሩስያ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሩስያን ዝጸንሐ ዝሓርፈፈ ርክብ ናብ ወጥሪ ከይወስዶ ተስጊኡ ኣሎ። ባይደን፡ እቲ ብሩስያ ከይፍጸም ብዙሓት ዝሰግእዎ ዘለዉ ተግባር ‘ኣጸጋምን ፈታንን ክኸውን ክገብሮ እየ” ክብል ንፕረዚደንት ፑቲን ኣጠንቂቑ። ሩስያ ስጉምቲ ትወስድ እንተኾይና፡ ኣመሪካን ሃገራት ኣውሮጳን ኣብ ልዕሊኣ እገዳ ንምንባር ተዘራሪበን እየን። ዩክሬን ኣባል ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን አትላንቲክ [ኔቶ] እንተዘይኮነት’ኳ፡ ምስቲ ኪዳን ዝጠበቐ ርክብ ከምዘለዋን ጸረ ታንክ ሚሳኤላት ኣመሪካ (ጄቭሊን) ሓዊሱ ካብ ምዕራባውያን ብዙሕ ከበድቲ ኣጽዋራት ድጋፍ ከምትረክብ ይዝረብ።","category":"ቭላድሚር ፑቲን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59539190"} {"headline":"ሚሳይላት ሩስያ ንትሕተ ቕርጺ ዩክረይን እናደብደበ ፑቲን ምስ ጀነራላቱ ተራኺቡ","content":"ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ሓይልታቱ ኣብ ትሕተ-ቅርጺ ዩክረይን ማዕበላዊ ሚሳይላት ኣብ ዝድብድቡሉ ዘለዉ እዋን ምስ ወተሃደራውያን ሓለፍቱ ተራኺቡ። ሚስተር ፑቲን ዝሓለፈ ዓርቢ ምሉእ መዓልቲ ኣብቲ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት \"ፍሉይ ሓይልታቱ\" ኰይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ሩስያ ንቐጻሊ ክትገብሮ ዘለዋ ስጕምቲ እንታይ ክኸውን ከም ዘለዎ ክዘራረብ ውዒሉ። ሓደ ሓደ ወተሃደራት ዩክረይን፡ ሩስያ ምናልባት ኣብዚ ሓዲሽ ዓመት ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ክትፍኑ መዲባ ምህላዋ ኣብ ዝገለጽሉ ዘለዉ እዋን እዩ እቲ ኣኼባ ተኻይዱ። ኣብዚ እዋን’ዚ ሩስያ ንብዙሕ ትካላት መመንጨዊ ጸዓት ስለዝሃረመት ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ጸልማትን ቁርን ተሸሚሙ ይርከብ። ኣብቲ ወተሃደራዊ ኣኼባ፡ ፑቲን ብሚኒስተር ምክልኻል ሰርገይ ሾጊን ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ቫለሪየ ጀራሲሞቭን ተዓጂቡ ይርአ። እቲ መራሕ ክረምሊን፡ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኩርናዕ ዘለኹም ኣዘዝቲ ስርሒታት ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባን ማእከላይን እዋን እንፍጽሞ ተግባራት ዘለኩም እማመን ውጥንን ሓሳብኩም ክሰምዕ እደሊ’የ” ኢሉ ክዛረብ ኣብ ተሌቪዥን እታ ሃገር ተራእዩ። ኣብቲ ኣኼባ፡ እቲ ብመርበብ ሓበሬታ ካብ ስልጣኑ ተባሪሩ ተባሂሉ ዝዝረበሉ ዝነበረሉ ጀነራል ገናሲሞቭ ስለዝነበረ እቲ ወረ ሓሶት ምዃኑ ተቓሊዑ። እቲ ወዲ 67 ዓመት ጀነራል፡ ብማሕራዊ መራኸቢታት “ኣዝዩ ጥንቁቕ እዩ” እናተባህለ ብዙሕ ክሲ እዩ ዝወርዶ ነይሩ። እቲ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ዩክረይን ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሩስያ ኰይኑ እተሸመ ሓለቓ ሰርጌ ሱሮቪኪን፡ ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቡ ምንባሩ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ብስእሊ ኣብ ዘቕረባኦ ጸብጻብ ተራእዩ። ሓይልታት ዩክረይን፡ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ነታ እንኮ ብሓይልታት ሩስያ እተታሕዘት ዓባይ ከተማ ኬርሶን ብምሓዝ ተኸታታሊ ምዕባለታት ገይሮም እዮም። ኣብዚ ዓመት ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ሞስኮ ምስ ፈረሰ፡ እቶም ሓለቓታት ሰራዊት ንክረምሊን ካብ ዝድግፋ መራኸቢ ብዙሃን ሓያል ነቐፌታ ወሪዱዎም እዩ። ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ዝነበረ ቫለሪየ ጀራሲሞቭ ካብ ስልጣኑ ከም እተባረረ ዝገልጽ ወረታት ነይሩ። ኣብቲ ኣኼባ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ዩክረይን ነበር ገን ቫለሪ ዛሉዥኒ፡ ሞስኮ ኣብ መጀመርታ 2023 ሓድሽ መጥቃዕቲ ክትጅምር ከም እትኽእል ገሊጹ። ሩስያ ኣብቲ ወጢናቶ ዘላ ሓዲሽ መጥቃዕቲ ኣስታት 200 ሽሕ ሰራዊት ኣሰሊፋ ከምዘላ ሓቢሩ። ኣስዒቡ'ውን \"ንኪቭ ከጥቅዑ ከምዝፍትኑ ኣይጠራጠርን እየ\" ኢሉ። \"ኣብዚ እዋን'ዚ ክንደይ ዝኣኽሉ ኣሃዱታት ከም ዘሎኒ እፈልጥ እየ።  ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ከኣ ክንደይ ዝኣኽላ ኣሃዱታት ከዳሉ ከምዘለኒ እውን እፈልጥ እየ። ልዕሊ ዅሉ ድማ  ዋላ'ውን ከቢድ እንተዀነ፡ ሕጂ ብዝዀነ ይዅን መገዲ ክትንክፎም ከምዘይብለይ እፈልጥ እየ።\" ብዘይካ'ዚ፡ እቲ መጥቃዕቲ \"ናብ ኪቭ ዝቐንዐ ክኸውን ይኽእል እዩ።\" ምናልባት እውን ብቤላሩስ ክጅምር ይኽእል እዩ። ኣብቲ ናይ ለካቲት መጥቃዕቲ፡ ወተሃደራት ሩስያ ካብ ቤላሩስ ዶብ ሰጊሮም ናብ ዋና ከተማ ዩክረይን ኪቭ ክግስግሱ ፈቲኖም እዮም። መራሒ ቤላሩስ ኣለክሳንደር ሉካሸንኮ፡ ሰራዊቱ ኣብቲ ወራር ከም ዘይተሳተፉ ብተደጋጋሚ'ኳ እንተገለጸ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራት ሩስያ ኣብታ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሞስኮ \"ጽዑቕ ስልጠና ውግእ\" ዝብሎ ስርሒት ይሳተፉ ከምዘለው እዩ ዝፍለጥ። ቭላድሚርፑቲን ጽባሕ ሰኑይ፡ ምስ ቤላሩስያዊ መዘናኡ ኣብ ሚንስክ ክራኸብ እዩ። ይዅን እምበር፡ ተንተንቲ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ርእሰ ከተማ ዩክረይን መጥቃዕቲ ከተካይድ ትኽእል እያ ንዝብል ነገር ኣብ ምልክት ሕቶ እዮም ዘእትውዎ። ወሃብ ቃል ዋይት ሃውስ ጆን ኪርቢ ብወገኑ፡ \"ክሳብ ሕጂ ናብ ኪቭ ዝግበር ዝዀነ ይዅን ምንቅስቓስ ከም ዘሎ ዝሕብር ነገር ከም ዘየልቦ\" እዩ ዝገልጽ። ላዕለዎት ሰበስልጣን ምክልኻል ኣሜሪካ ንማዕከናት ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ሩስያ ንዓሰርተታት ዓመታት ተኸዚኑ ዝጸንሐ ተተኳሲ፡ ክትጥቀም ከም ዝተገደደት ገሊጾም። ንሳቶም ወሲኾም፡ \"ሩስያ ቦምባታት መዳፍዕን ተወንጫፊ ሚሳይልን ኣብ መጀመርታ 2023 ክትጽንቅቕ ከም እትኽእል ገሊጾም። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ብቐዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሩስያ ኣብ መመንጨዊ ጸዓት ዩክረይን ንዘውረደቶ ዕንወት ብምጽጋን ንኣስታት ሽዱሽተ ሚልዮን ሰባት ንቡር ኣገልግሎት ኤለትሪክ ከምእትመልሰ ሓቢሩ። ከንቲባ ኪቭ ቪታሊ ክላትሽኮ፡ እታ ከተማ እትጥቀመሉ ዝነበረት መገዲ ባቡርን ሻምብቆታት መስመር ማይን ከም እተዓረየን ናብ ንቡር ስርሑ ከም እተመልሰን ገሊጹ። ብዘይካ'ዚ፡ ነቲ ኣብ ቘራሪ ወርሓት ልደት ዘጋጥም ጸገማት ብምቅላል፡ ጸዓት ብዝቑጥብ ኣምፑል ክበርህ ምዃኑ ሓቢሩ። ኣብታ ሃገር ኣብ እትርከብ ካልአይቲ ዝዓበየት ከተማ ካርኪቭ እውን ሓይሊ ኤለክትሪክ ከም እተመልሰ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም ። ሩስያ፡ ኣብ ዝሓለፈ 10 ጥቅምቲ ብልዕሊ 1,000 ሚሳይላትን ብኢራናውያን እተዋህባኣ ድሮንን ተጠቒማ ኣብ ትሕተ-ቅርጺ ሓይሊ ኤለክትሪክ ዩክረይን ከቢድ መጥቃዕቲ ፈንያ እያ። ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑዌል ማክሮን ዝርከቦም ኣህጉራውያን መራሕቲ፡ እቲ መጥቃዕቲ ገበን ኵናት ምዃኑ እዮም ገሊጾም። ሚኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ ከም ዝሓበሮ፡ ሩስያ ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወፈራ ዘሕዝን እዩ ክብል ተዛሪቡ።","category":"ቭላድሚር ፑቲን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cg6v7lw3790o"} {"headline":"ቭላድሚር ፑቲን፡ ዩክረይን ንኽትውረር ዝኣዘዘ ፕረዚደንት ሩስያ መን እዩ?","content":"ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዩክረይን ዝገበሮ ወራር ንብዙሓት ኣሰንቢዱ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ናይ ሕጂ ወራር ካብቲ ብ2014 ኣብ ክረሚያ ዝገበሮ ጎበጣ እቲ ዝዓበየ'ኳ እንተኾነ ፑቲን ዳግም ጽልዋ ሩስያ ንምስፋሕ ከም ሕጂ ቖሪጹ ኣይተላዕለን። ፑቲን ድሕሪ እቲ ብ1953 ዝሞተ ውልቀ-መላኺ ሕብረት ሶቭየት ነበር ጆሴፍ ስታሊን ካብ 2000 ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ክርምሊን ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ፕረዚደንትን ቀዳማይ ምኒስተርን ሩስያ ኮይኑ ዝመርሕ ዘሎ እዩ። እቲ ብ2020 ዝተኻየደ ኣካታዒ መስርሕ ምምሕያሽ ሕገ-መንግስቲ፡ ኣብ 2024 ዝዛዘም ራብዓይ ዘመን ስልጣን ፑቲን ክሳብ 2036 ኣብ ክረምሊን ንኽጸንሕ ዕድል ሂቡዎ ኣሎ። ግን እዚ ሕጂ ርእሰ ዜና ዓለም ኮይኑ ዘሎ መራሒ ብኸመይ እዩ ናብዚ ዘለዎ ደረጃ በጺሑ? ኣብዚ ዝቕጽል ጽሑፍ ንፖለቲካውን ውልቃውን ህይወት ፑቲን ክንርኢ ኢና። ናይ ቀደም ሰላይ ሃየስቲ ናብቲ ንመንነት ፑቲን ዝቐረጸ ፖለቲካ ዘመነ ሕብረት ሶቭየት እዮም ዝምለሱ። ፑቲን ሕብረት ሶቭየት ቅድሚ ምውዳቓ፡ ኣባል'ቲ ሓያል ትካል ስለያ ከይ.ጂ.ቢ. ኮይኑ ኣብ ትካል ጸጥታ እታ ሃገር ከም ሰላዪ ይሰርሕ ነይሩ። መብዛሕትኦም ቀረባ ፈተውቱን ኣዕሩኽቱን ምስቲ ምስጢራዊ ትካልን ስራሕን ርክባት ዘለዎምን ዝነበሮምን እዮም። ፖለቲካዊ ተሳትፎ ፑቲን ኣብ መጀመርታ 1990ታት እዩ ዝጅምር። ሽዑ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሕጊ ምስ ዝመሃሮ ከንቲባ ሰይንት ፒተርስበርግ ነበር ኣናቶሊ ሶብቻክ ከም ላዕለዋይ ተሓጋጋዚኡ ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ። ብ1997 ኣብ ክረምሊን ሓለቓ ኣገልግሎት ፌደራላዊ ጸጥታ (ኤፍ.ኤስ.ቢ. ቀንዲ ተተካኢ ከይ.ጂ.ቢ.) ኰይኑ ድሕሪ ምእታዉ ከኣ ነዊሕ ከይጸንሐ ቀዳማይ ምኒስተር ንክኸውን ተረቚሑ። ኣብ ሓድሽ ዓመት 1999፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቦሪስ የልሲን ስልጣኑ ክሓድግ እንከሎ ከም ምኽትል ፕረዚደንት መዚዙዎ። ፑቲን፡ ዋላ'ኳ ካብ 2008 ክሳዕ 2012 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ብሕገ-መንግስቲ ሩስያ ንሳልሳይ ተኸታታሊ እዋን ከገልግል ዘይክእል እንተነበረ፡ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ግን ከሳብ ሕጂ ኣብ ስልጣን እዩ ዘሎ። ኣብ 2012 ኣብ ዝተኻየደ ብክሲ ምጭብርባር ድምጺ ዝጥቀስ ምርጫ ፑቲን ልዕሊ 66% ድምጺ ሒዙ ናብ ስልጣን ተመሊሱ፡ ነቲ ተኣጊዱ ዝነበረ ወተሃደራዊ ሰልፊ ሶቭየትን ምስሊ ስታሊንን ከም ብሓድሽ ከም ዝምለስ ገይሩ። ነቲ ሩስያ ዝሰርሓቶ ክታበት ኮቪድ ከይተረፈ፡ ብስም ናይታ ኣብ 1957 ሕብረት ሶቬት ዝሰርሓታ \"ስፖትኒክ\" እተሰምየት ሳተላይት ሰይምዎ። ፑቲን ንፍጻመ ውድቀት ሕብረት ሶቭየት፡ 1990፡ \"ኣብ [መበል 20] ክፍለ ዘመን ዘጋጠመ ዝዓበየ ጂኦፖለቲካዊ ዕንወት\" ክብል ብምግላጽ፡ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ካብ 1997 ኣትሒዙ ኽሳብ ዶባት ሩስያ ብምጽግዑ ብተደጋጋሚ ክነቕፎ ጸኒሑ። ምስ ሃገራት ምዕራብ ዝግበር ኣሰካፊ ርክብ ኣቐዲሙ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይንን ዝነበረ ወጥሪ፡ ከምኡ እውን ሞስኮ ንፕረዚደንት ባሻር ኣል-ኣሳድ ብምድጋፍ ኣብ ውግእ ሓድሕድ ሶርያ ዝገበረቶ ምትእትታው፡ ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ፑቲን ዝነበሮም ጥርጣረ ኣሐይሉዎ። ርክቦም ከኣ ከም ናይ ዝሑል ኲናት ዝሑል እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ንሩስያዊ መዘናኡ ፑቲን ብኣድናቖት ክገልጾ እንከሎ፡ እቲ ንዕኡ ዝትከኦ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ግን ንፑቲን \"ቀታሊ\" ክብል እዩ ዝገልጾ። ፑቲን፡ ኣብ 2000 ነፋሪት ኲናት ሒዙ ንቸቺንያ በሪሩ። ብ 2011 ከኣ ኣብ ጥቓ ጸሊም ባሕሪ ኣብ እተገብረ ፈስቲቫል ብሸክለታ ማቾ ንእተባህለት ከልቡ ሓቚፉ ተራእዩ። ፑቲን፡ ኣኽላባት ብምሕቋፍን ነቶም ኣብ ሓደጋ ምጥፋእ ዝርከቡ ኣናብር ኣሙር ብምክንኻን ኣብ ሚድያ ሩስያ ኣወንታዊ ምስሊ ረኺቡ ንምርጫ እውን ተጠቒሙሉ። ኣብ ለካቲት 2021 ኣብ ሩስያ ዝርከብ ማእከል መጽናዕቲ ከም ዝሓበሮ፡ 48% ሩስያውያን፡ ፑቲን ካብ 2024 ንደሓር እውን ፕረዚደንት ኰይኑ ክቕጽል ድላይ ከምዘለዎም የርኢ። እቲ ኣሃዝ ንብዙሓት ሰባት እዩ ዘጠራጥሮም፣ ፑቲን ከኣ ከም ሓያል መወዳድርቲ እዮም ዝርእይዎ። ድሕሪ እቲ ብ1990 ዘጋጠመ ውድቀት ሕብረት ሶቬት፡ ፑቲን ተዛማዲ ቍጠባዊ ርግኣት ንምፍጣርን ሃገራዊ ሓበን ንምምላስን ተቓሊሱ እዩ። ኣብ ዘበነ ስልጣኑ ቍጠባ ሩስያ ተበራቢሩ መነባበሮ ሰባት ናብ ማእከላይ ደረጃ'ኳ እንተ ተሰጋገረ ኣብ ገጠራት ግን ገና ድኽነት ኣሎ። ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይምርግጋእ እቶም ዓበይቲ ሩስያውያን ንፑቲን ይፈትዉዎ እዮም። እቶም ኣብ ዘበኑ ዝዓበዩ መንእሰያት ጽምኣት ለውጢ ዘለዎም ይመስሉ ። ኣብ ጥሪ 2021 ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሩስያውያን መንእሰያት፡ ነቲ ካብ በርሊን ምስ ተመልሰ ብኡ ንብኡ እተኣስረ ቀንዲ ተቓዋሚ ፑቲን ዝነበረ ኣለክሲ ናቫልኒ ብምድጋፍ፡ ኣብ መላእ'ታ ሃገር ሰልፊ ወጺኦም። ናቫልኒ፡ ነቲ ኣብ ሩስያ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ብልሽውና ብምቅላዕ፡ ንፑቲንን ሰልፉን፡ \"ምትእኸኻብ ሰረቕቲ\" ክብል ይገልጾ። እቲ ሽዑ ዝተራእየ ተቓውሞታት ካብቲ ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝረኣየቶ ሰልፍታት ተቓውሞ እቲ ዝዓበየ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ፖሊስ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ዳጒኖም። ፑቲን፡ ብሰንኪ'ቲ ብምጥፍፋእ ሃብቲ ከሲሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝዳጎኖ ጥዕና ስኢኑ ዘሎ ናቫልኒ፡ ብምዕራባውያን ብኸቢድ ተነቒፉ። ናቫልኒ፡ ኣብ ነሓሰ 2021 ካብ መጥቃዕቲ ነርቭ ንስክላ እዩ ድሒኑ። ምዕራባውያን ከኣ በቲ ተግባር ንፑቲንን ኣገልግሎት ፌደራላዊ ድሕነት (ኤፍ.ሲ.ቢ.) ብትሪ ወቒሰንኦ። እቲ ኖቪቾክ ዝበሃል ሓደገኛ ቀመማዊ መርዚ ሩስያ፡ ነቲ ኣብ 2018 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነብር ዝነበረ ሩስያዊ ሰርጌ ስኪፕራልን ዩልያ ጓሉንን ኣብ ምምራዝ ውዒሉ እዩ። ፑቲን ግን ምስ ምስማም ናይቶም ውሩያት ፖለቲካውያን ተጻረርቱ ምንም ርክብ ከም ዘይብሉ እዩ ዝኽሕድ። ኣሸጋሪ እዋን ቁልዕነት ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣብ ለኒነግራድ - ሕጂ ኣብ ሰይንት ፒተርስበርግ ኣብ ዝርከብ ሓባራዊን መንበሪ ኣባይቲ እዩ ዓብዩ። ኣብ ንእስነቱ ከኣ ምስቶም ካብኡ ዝዓብዩን ሓያላትን ኣወዳት ይበኣስ ስለዝነበረ ጂዶ ንክመሃር ከምዝተደረኸ ይዝረብ። ብመሰረት መርበብ ሓበሬታ ክረምሊን፡ ፑቲን \"ትምህርቱ ከይዛዘመ\" ከሎ ኣብ ክፍሊ ጸጥታ ሕብረት ሶቭየት ክሰርሕ ድላይ ነይሩዎ። ኣብ ጥቅምቲ 2015 ከኣ ፑቲን፡ \"ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት፡ ጎደናታት ለኒነግራድ ሓደ ሕጊ ምሂሩኒ ነይሩ። ንሱ ከኣ ባእሲ ዘይተርፍ እንተ ኰይኑ ቀዳመይቲ ጉስጢ ንምውርዋር ክትቅደም የብልካን፡\" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። ኣንጻር ተቓወምቲ ቸችንያውያን ክዋጋእ እንከሎ እውን፡ ጭውነት ብዝጎደሎ ኣበሃህላ፡ \"ኣብ ሽቓቕ ከይተረፈ ኣትየ ክድምስሶም እየ፡\" ዝብል ተሪር ቋንቋ ብምጥቃሙ ይውቀስ። ኣብ ሪፓብሊክ ሰሜን ካውካሱስ ዝርከቡ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና፡ ብ1999 ክሳዕ 2000 ብእተጓሃሃረ ከቢድ ኲናት ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰላማውያን ሰባት ሞይቶም። ኣብ 2008 ሓይልታት ሰራዊት ፑቲን ኣብ ጆርጅያ ኣትዮም ንክልተ ግዝኣታት እታ ሃገር ኣብካዚያን ደቡብ ኦሰሽያን ተቘጻጺሮም ። እቲ ውግእ፡ ምስቲ ሽዑ ምስ ኔቶ ዝነበረ ፕረዚደንት ሚኪኤል ሳካሽቪሊ ኮይኑ፡ ፑቲን ነቶም ቀደም ኣብ ግዝኣት ሶቭየት ዝነበሩ ድሕሪ ውድቀት እቲ ሕብረት ምስ ምዕራባውያን መራሕቲ ንዝመሓዘዉ መራሕቲ ንምድኻም ድሉው ምዃኑ ዘርኢ ስጕምቲ ከምዝነበረ እዩ ዝውሰድ። ዓርኪ ቢልዮነራት ፑቲን ኣዝዮም ሃብታማት ኣዕሩኽ ኣለውዎ። ንሱ ንባዕሉ እውን ብዙሕ ሃብቲ ከም ዘለዎ እዩ ዝእመን። ንስድራ ቤቱን ቍጠባዊ ትሕዝቶኡን ከኣ ካብ ህዝቢ ይኽውሎም እዩ። ኣብ 2016፡ ጸብጻብ ፓናማ፡ ፑቲን ብመገዲ ክኢላ ሙዚቃ፡ ዝኾነ ናይ ቀረባ ዓርኩ ሰርጂ ሮልጅን ምስ ኩባንያታት ወጻኢ ርክብ ከምዘለዎ ኣቃሊዑ ነይሩ። ድሕሪ ኣስታት 30 ዓመት መርዓ፡ ብ2013 ምስ ፑቲን ዝተፋትሐት ብዓልቲ ቤቱ ነበር፡ \"ሉድሚላ\" ከኣ \"ውፉይ ሰራሕተኛ እዩ\" ክትብል ገሊጻቶ ነይራ። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ጓል ፕረዚደንት ፑቲን፡ ካተሪና ፑቲን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሞስኮ ዝለዓለ ስራሕ ምምሕዳር ከምእትሰርሕን ኣብ ናይ ኣክሮባቲክ ሮል ውድድራት ከምእትሳተፍን ጸብጺቡ ነይሩ። እታ በዅሪ ጓሉ ማሪያ ከኣ ኣብ ስነ-ፍልጠት ኢንዶክኖሮሎጂ ኣዝያ ፍልይቲ ኣካዳምያዊት ምዃና ትጥቀስ። ሊበራል ተደፊኦም ወጺኦም ሓርበኛነት ፕረዚደንት ፑቲን ዝብል ሕላገት ንማዕከናት ዜና ሩስያ ዓብሊልዎ ይርከብ። እቲ ጸብጻባት ሚድያ ናብ ፑቲን ስለዘዳሉ ኣብታ ሃገር ዘሎ መጠን ተቓውሞ ንምልካዕ ኣሸጋሪ እዩ። ፑቲን ፕረዚደንት ኣብ ዝነበረሉ መጀመርታ ክልተ እብረ፡ ካብቲ ቀንዲ ሰደድ ሩስያ ዝኾን ነዳዲን ጋዝን ጥዑይ ኣታዊ ይረክብ ስለዝነበረ፣ ብዘይካ፡ \"ደሞክራሲ\" መነባብሮ መብዛሕትኦም ሩስያውያን ተመሓይሹ ነይሩ። ነቲ ኣብ 2008 ኣብ ዓለም ዘጋጠመ ፊናንሳዊ ቅልውላው፡ ቁጠባን ምንቁልቋል ዋጋ ነዳድን እኳ እንተተቓለሶ፡ ሩስያ ብብዙሓት ወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ቢልዮናት ዶላራት ከሲራ እያ። ግዝኣት ፑቲን፡ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን እተተባብዖ ንዓቃባዊ ሃገራውነት ሩስያ ዘንጸባርቕ እዩ። ፑቲን፡ ፕረሲደንት ድሕሪ ምዃኑ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ንብዙሓት ፖለቲከኛታት ከግልልን ሐራይ ብዝብሉ ደገፍቱ ወይ ከኣ ሻራ ብዘይብሎም ሰባት ክትክኦምን ተራእዩ። ንኣብነት፡ ንከም በዓል ቦሪስ በረዞቭስኪን ቭላድሚር ጉሲንስኪን ዝኣመሰሉ ኣዝዮም ሃብታማት ንፕረዚደንት የልሲን ቀረባ ዝነበሩ ሰባት ንስደት ከምዝሃድሙ ገይሩዎም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ሩስያ ኣህጉራዊ ሻቕሎት እናዓበየ መጺኡ። ብፍላይ እቲ ሓደ እዋን ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዝሃብተሙ ቢልዮነራት፡ ከምኡ'ውን ካብቶም ጕጅለ ፓንክ ዝበሃሉ ኣንጻር ፑቲን ዝነጥፉ ዝነበሩ ከም ሚኻኤል ኮዶርኮቪስኪ ምስ ተኣስረ ህዝባዊ ተቓውሞ ንሂሩ ነይሩ። ሕጂ ሩስያ ንዩክረይንን ምስ ወረረትን፡ ፑቲን፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ ጉዳይ ሩስያ ክኣቱ እንተፈቲኑ ሞስኮ እትህቦ ምላሽ \"ቕጽበታዊ\" እዩ እናበለ የጠንቅቕ ብምህላው፡ ዓለም፡ ፕረዚደንት ሩስያ ነቲ ቀጺሉ ዝገብሮ ነገራት ክትርኢ ተቋምት ኣላ።","category":"ቭላድሚር ፑቲን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60585766"} {"headline":"ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣብ እዋን ውድቀት ሶቭየት ሕብረት መራሒ መኪና ኮይኑ ከም ዝሰርሐ ተዛሪቡ","content":"ፕሬዝደንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ 1991 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] እዋን ውድቀት ሕብረት ሶቭየት ዝረኽቦ ዝነበረ እቶት ንምድንፋዕ መራሒ ታክሲ ኮይኑ ምስርሑ ተዛሪቡ። ብሰንኪ ምፍራስ ሕብረት ሶቭየት ዝስዓበ ቑጠባዊ ዝሕታለ ብዙሓት ሩሲያውያን ገንዘብ ንምርካብ ሓደሽቲ ምንጪታት እቶት ክእልሹ ተገዲዶም'ዮም። ፑቲን፡ ምብትታን ሶቭየት ሕብረት ውድቀት ታሪኻዊት ሩሲያ ክብል ገሊጹዎ። እቲ ፕሬዝደንት ምፍራስ ሕብረት ሶቭየት ከም ዘሕዝኖ ክገልጽ እንከሎ፡ እዚ ርኢይትኡ ኣባል እቲ ሪፐብሊክ ዝነበረት ዩክሬን ዝምልከት ዘለዎ መርገጽን ድልየትን ኣፋፍኖት ዝህብ ክኸውን ይኽእል'ዩ ዝብሉ ግምታት ኣማዕቢሉ ኣሎ። ኣብ ጥቓ ዶብ ዩክሬይን ልዕሊ 90 ሽሕ ወተሃደራት ዘውፈረት ሩሲያ፡ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ወራር ክትፍጽም ትኸውን እያ ዝብል ስግኣት ኣሕዲሩ ይርከብ። ሩሲያ ነዚ ክትነጽጎ እንከላ፡ ዩክሬን ነገር ትጽሕትር ኣላ ክትብል ትኸሳ። ፑቲን ኣብ ዙርያ ምፍራስ ሶቭየት ዘለዎ ካብ ምግላጽ ብተወሳኺ ገንዘብ ምርካብ ግድን ከም ዝነበረ ብምግላጽ \"ሓቂ ንምዝራብ ናይ ውልቂ መራሒ መኪና ኮይንኻ ገንዘብ ምርካብ ባህ ዘይብል ነገር ኣለዎ። ግን ብዘሕዝን መልክዑ እቲ ኹነታት ከምኡ ነይሩ\" ኢሉ። ኣብቲ እዋን ኣብ ሩሲያ ብዙሓት ታክሲ ኣይነበራን። ኣብ ክንድኡ መኪና ዘለዎም ሰባት ንኻልኦት ንምሕጋዝ ንዝፈልጡዎም ሰባት የሳፍሩ ነይሮም። ገሊኦም ድማ ከም ኣንቡላንስ ዝበላ ተሽከርከርቲ ከም ታክሲ ይጥቀሙለን ነይሮም። ፕሬዝደንት ፑቲን ኣብ እዋን ሶቭየት ወኪል ኣገልግሎት ድሕነት ኬጂቢ ነይሩ። ኣብ መጀመርታ 1990ታት ኣብ ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ሴንት ፒተርስበርግ ኣናቶሊ ሶብቻክ ሰሪሑ'ዩ። ብነሓሰ 1991፡ ኣብ ልዕሊ ፕሬዝደንት ሶቭየት ሕብረት ሚካኤል ጎርቫቾቭ ወይ ድማ ንምፍራስ ሶቭየት ምኽንያት ዝኾነ ዕልዋ መንግስቲ ምስ ተኻየደ ናብ ኬጂቢ ከም ዝተጸንበረ ይፍለጥ።","category":"ቭላድሚር ፑቲን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59633200"} {"headline":"ኲናት ዩክረይን፡ ፑቲን ኣብ ጉዳይ ዩክረይን ኣንጻር ኢድ ኣእታውነት ሃገራት ኣጠንቒቝ","content":"ዝዀነት ሃገር፡ ኣብዚ ምስ ዩክረይን ዝግበር ዘሎ ኲናት ኢዳ ክትመልስ እንተፈቲና፡ ቅጽበታዊ ግብረመልሲ ክወሃባ ምዃኑ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣጠንቂቝ። \"ካልኦት ዘይውንናኦ ኣጽዋር ዓጢቕና ኢና፣ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ድማ ክንጥቀመሉ ኢና፡\" ክብል፡ ነቲ ሃገሩ ዘለዋ፡ ባልቲክ ሚሳይልን ኑክሊየራዊ ኣጽዋርን ኣመልኪቱ። ኣሜሪካ፡ ዩክረይን ንሩስያ ክትብድህ ትኽእል እያ ብምባል ብዝተተስፈወቶ ተተባቢዐን፡ መሻርኽቲ ዩክረይን ዝዀና ሃገራት ዝተፈላለየ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ነታ ሃገር ከቕርባ ይርኣያ ኣለዋ። ምዕራባውያን፡ ሩስያ ኣብቲ ን ምብራቕ ዩክረይን ንምቍጽጻር ትገብሮ ዘላ ጻዕሪ፡ ኣብ ወጥሪ ከም ዝኣተወትን ከምቲ ዝሓሰበቶ ከምዘይሰልጣን እዮም ዝገልጹ። ሩስያ፡ ካብ ከባቢታት ርእሰ ከተማ ኪቭ ብምንስሓብ፡ ንዞባ ዶንባስ - ምብራቕ ዩክረይን - ንምቍጽጻር፡ ዝሓለፈ ሰሙን መጠነ-ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከም ዝጀመረት ይፍለጥ። እንተዀነ፡ ሓደ በዓል ስልጣን ነዚ ኣመልኪቱ፡ ሓይልታት ሩስያ፡ \"ነቲ ክምህ ዘይብል ጽንዓት ምክልኻል ዩክሬናውያን ክጻወርዎ ኣይከኣሉን፣ ከቢድ ክሳራታት'ውን ይወርዶም ኣሎ፡\" ክብል ገሊጹ። ብኻልእ ምዕባለ፡ ኮሚሽን ኤውሮጳ፡ ነቲ ሩስያ ናብ ሃገራት ፖላንድን ቡልጋርያን ትሰዶ ዝነበረት ጋዝ ብምቍራጽ፡ ንእትገብሮ ዘላ ምፍርራህ ከሲሱ'ሎ። ፕረዚደንት'ቲ ኮሚሽን፡ ኡርሳላ ቮን ደር ለየን፡ እዚ፡ ሩስያ ከም ቀራቢት ጋዝ መጠን ን \"ዘይተኣማንነታ\" ዘርኢ እዩ ክብል ገሊጽዎ'ሎ። ሩስያ፡ እዚ ስጕምቲ'ዚ በቲ ሃገራት ምዕራብ ዝወስዳኦ ዘለዋ ተጻባኢ ስጕምቲታት ዝተደረኸ ምዃኑ'ያ ትገልጽ። ፑቲን፡ ድሕሪ ኲናት ዩክረይን ብሰንኪ ዝሰዓበ ቁጠባዊ እገዳ ሃገራት ምዕራብ ንዝተራእየ ዝቕባበ ንምጽጋን፡ ሃገራት ፖላንድን ቡልጋርያን፡ ነቲ ካብ ሩስያ ዝወስዳኦ ጋዝ ብ 'ሩብል' ባጤራ ሩስያ፡ ክኸፍላ ንዘቕረቦ ሕቶ ብምንጻገን እዩ፡ እዚ ስጕምቲ ምብታኽ ቀረብ ጋዝ ስዒቡ ዘሎ። ፑቲን፡ ኣብቲ ረቡዕ ኣብ ፒተርስበርግ ንሓገግቲ ኣካላት ሩስያ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ \"ዝዀነት ሃገር ኣብ ዩክረይን ኢዳ ክትመልስ እንትፈቲና'ሞ፡ ንሩስያ ስትራተጅያዊ ስግኣት ዝኸውን እንተመሲሉ፡ እንወስዶ ግብረመልሲ ዘየናሕሲ ቅጽበታዊ ክኸውን እዩ፡\" ኢሉ። \"ንስለጃህራ ዘይኰነ፡ ዝዀነት ሃገር ኣለኒ ክትብሎ ዘይትኽእል ኣጽዋራት እዩ ዘለና፣ ኣብ ዘድልየሉ ኸኣ ክንጥቀመሉ ኢና።\" እቲ ፕረዚደንት ብተወሳኺ፡ እቲ እንህቦ ግብረመልሲ እንታይ ከምዘጠቓልል ድሮ ተወሲኑ እዩ፡ ኢሉ። እንተዀነ ዝርዝር ናይቲ ሩስያ ክትወስዶ እትኽእል ስጕምታት ኣይሃበን። ሩስያ፡ ብ 24 ለካቲት ኣትሒዛ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ተካይድ ከም ዘላ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ከኣ ፑቲን፡ ኣሃዱታት ኑክሌር ሩስያ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተጠንቀቕ ክጸንሑ ትእዛዝ ከም ዘሕለፈ ይዝከር። ተንተንቲ ከም ዝብልዎ ግን፡ እዚ ብፑቲን ዝወሃብ ዘሎ መጠንቀቕታ፡ መሻርኽቲ ዩክረይን ዝዀና ሃገራት ምትእትታው ንኸይገብራ ንምህዳድ ዝዓለመ ጥራይ ምዃኑ ይገልጹ። እዚ መግለጺ ፑቲን፡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ፡ እቲ ሃገራት ምዕራብ ንዩክረይን ዝወሃብ ወተሃደራዊ ሓገዝ ንምዕባይ ዓሊመን፡ ኣብ ጀርመን ዝገበራኦ ኣኼባ ዝሰዓበ እዩ። ጸሓፊ ክፍሊ ምክልኻል ኣሜሪካ፡ ሎይድ ኦስቲን፡ ዩክረይን ነዚ ኲናት ከም እትዕወተሉ ንኸእምን ዘይፈልቀሎ እምኒ ከም ዘየለ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ንዩክረይን ዝወሃብ ሓገዝ ንምዕባይ ዝተፈላለየ መብጽዓታት ተሰሚዑ። ሓደ ካብኡ፡ ጀርመን ነቲ ዝጸንሓ ፖሊሲ ምስግጋር ወተሃደራዊ ኣጽዋር ምሉእ ብምሉእ ብምቕያር፡ 50 ጸረ ነፈርቲ ዝዓጠቓ ታንክታት ክትህብ ምዃኑ ኣፍሊጣ'ላ። ኣብቲ ኣኼባ፡ ሰበስልጣን ሃገራት ምዕራብ ብዛዕባ ምዕባለታት ኲናት ሩስያ-ዩክረይን ብምድህሳስ፡ ሩስያ ሓይልታታ ኣብ ዶንባስ ትኣኻኽብን ተሐይልን ከም ዘላ፣ ዝተወሰነ ዓወት'ውን ረኺባ ከም ዘላ ገምጊሞም። \"እንተዀነ ብመንጽር ሓቀኛ ወተሃደራዊ ዕላማ፡ ነቲ ዘይተጸዓድነት ዩክሬናውያን ክትሰብሮ ኣይከኣለትን፣ ክሳራታት'ውን ይገጥማ ኣሎ፡\" ክብሉ እቶም ሰበስልጣን ይግምግሙ። ብተወሳኺ፡ ከቢድ ዝናብ'ውን ንገስጋስ ሩስያ ገቲእዎ እዩ። \"ሩስያ'ውያን ማይ እናሃረመ ክዋግኡ ኣይደልዩን እዮም፡\" ብምባል ሓደ ሰበስልጣን፡ ነቲ ወተሃደራት ሩስያ ዘለዎም ድኹም ሜላታት ውግእን ቀረብ ሎጀስቲክን የመልክት። ኣብ ማሪዮፖል ኣብ ዝተገብረ ውግእ ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ ዩክሬናውያን ተኸቢቦም እንከለው'ውን፡ ንሓይልታቶም ዘድሊ ኣጽዋርን ስንቅን ንምቕራብ ዘደንቕ ብልሓታት ከም ዘርኣዩ፡ ሰበስልጣን ይገልጹ። ብተወሳኺ፡ ሩስያውያን ኣብ ዝሓዝዎ ኣገደስቲ ቦታታት ከይተረፈ፡ ሓይልታት ዩክረይን ጸረ-መጥቃዕቲ ብምግባር ቦታታት ክምንዝዑ፡ ዝድነቕ ስልቲ ውግእ ከም ዘርኣዩ፡ ይንገር። ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ዩክረይን'ውን፡ ብድሕሪ መስመር ሩስያ ብምስላዅ፣ ነቲ ነዊሕ መስመር ቀረብ ሩስያ እናበተኹ፡ ግዜ ንምኽሳብ ዘኽእሎም ስርሒታት ክገብሩ ተራእዮም እዮም።","category":"ቭላድሚር ፑቲን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61244089"} {"headline":"“ሕብረተሰብና ድሕሪ እዚ ኩሉ ወራር ንሩስያውያን ዘለዎ ምልከታ ኣይተቐየረን”","content":"ምስ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቡ ቃለ መሕትት ዝሃበ ፕረዚደንት ዩክረይን፡ ቮሎድሚር ዘለንስኪ ዩክሬናውያን ድሕሪ እቲ ኩሉ ዝተፈጸሞም ወራር ይኹን 8 ዓመታት ዝወሰደ ደማዊ ኵናት’ውን እንተኾነ ንሩስያውያን ዝርእይሉ ምልከታ ከምዘይተቐየረ ገሊጹ።","category":"ቭላድሚር ፑቲን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crgqzedr9pvo"} {"headline":"ተመሪዙ ዝነበረ ተቓዋሚ ፑቲን ናብ ሩስያ ክምለስ እዩ","content":"ብምኽንያት ምምራዝ ኣብ ጀርመን ኣብ ሕክምና ዝጸንሐ መራሒ ተቓዋሚ ወገን ሩስያ ኣሌክሰይ ናቫንሊ ናብ ሃገሩ ክምለም ምዃኑ ወሃቢት ቃሉ ገሊጻ፡፡ ድሕሪ ምምራዙ ንፈለማ እዋን ኣብ ኢንስታግራም ፎቶ ዝጠቀዐ ናቫንሊ ብዘይ ሓገዝ ናይ መተንፈሲ መሳርሒ ምትንፋስ ከምዝኸኣለ ሓቢሩ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ 20 ነሓሰ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ኣብ ጉዕዞ እናሃለወ ኣብ ውሽጢ ነፋሪት ውንኡ ዝሰሓተ ናቫንሊ፡ ኖቪቾክ ብዝተብሃለ ባእታ ከምዝተመረዘ ይግለጽ፡፡ ንሕክምና ናብ ጀርመን ዝተወሰደ ናቫንሊ፡ ደገፍቱ ብትእዛዝ ፕርዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ከምዝተመረዘ እዮም ዝኸሱ፡፡ መንግስቲ ሩሰያ ግን ነቲ ክሲ ኣይወዓልኩዎን ብምባል ይነጽጎ፡፡ ጋዜጠኛታት ናቫንሊ ናብ ሩስያ ክምለስ እዩ ዝብል ሓበሬታ ሓቂ ምዃኑ ክተረጋግጸሎም እናሓተትዋ ከምዘርፈዱ ዝገለጸት ወሃቢት ቃል ኣሌክሰይ ናቫንሊ ዝኾነት ኪራ ያርሚሽ፡ ሰባት ክምለስ ምዃኑ ምጥርጣሮም ከምዘገረማ ኣብ ትዊተር ተዛሪባ፡፡ ናቫንሊ ደሓን ከምዘሎን ባዕሉ ምትንፋስ ከምዝጀመረን ኣብ ኢንስታግራም ምስሓገለጸ እዩ ክምለስ ምዃኑ ዝገልጽ ሓበሬታ ወጺኡ ዘሎ፡፡ እቲ ናቫንሊ ግልጋሎት ሕክምና ዝረኽበሉ ዘሎ ሆስፒታል ብፖሊስ ይሕሎ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ፡፡ ብካልእ ገጽ መንግስቲ ሩስያ፡ ኣሌሰይ ናቫንሊ ምስሓወየ ምስ ቭላድሚር ፑቲን ክራኸቡ ዝቐረበ ሓሳብ፡ ኣድላዪ ኣይኮነን ብምባል ከምዘይራኸቡ ገሊጹ ኣሎ፡፡","category":"ቭላድሚር ፑቲን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54166829"} {"headline":"ናብ ግንባራት ክኸቱ ዘይደለዩ ሩስያውያን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይሃድሙ","content":"ሩስያውያን ደቂ ተባዕትዮ፡ መንግስቲ ካብ ዘቕረቦ ጻውዒት ወተሃደራዊ ክተት ንምህዳም ካብታ ሃገር ክወጽኡ ይፍትኑ ኣለው። ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣስታት 300 ሽሕ ዕቑር ሰራዊት ክኸትት ምስ ጸውዐ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ጥቓ ዶብ ነዊሕ መስርዕ ሒዞም ተራእዮም። ቤተ መንግስቲ ሩስያ ግን፡ ዕድሚኦም ንውግእ ዝኣኸለ ደቂ ተባዕትዮ ይሃድሙ ኣለው ዝብሉ ጸብጻባት ዝተጋነኑ እዮም ኢሉ። ይኹን’ምበር፡ ምስ ጆርጂያ ኣብ ዘዋስን ዶብ፡ ካብቲ ኲናት ዝሃደሙ ደቂ ተባዕትዮ ሓዊሱ መካይን፡ ነዊሕ መስርዕ ሒዘን ኣለዋ። ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሓደ ውልቀሰብ፡ እቲ ፕረዚደንት ድሕሪ ዘቕረቦ ጻውዒት፡ ዕድሚኡ ኣብቶም ናብ ኲናት ክለኣኹ ዝኽእሉ ሰባት ስለ ዝርከብ፡ ዋላ ሓደ ነገር እንከይሓዘ ፓስፖርቱ ሒዙ ናብቲ ዶብ ከም ዝኸደ ተዛሪቡ። ገለ መሰኻኽር ዓይኒ፡ ክሳብ ሓሙሽተ ኪሎ ሜትሮ ዝኸውን ሪጋ ዝሓዛ መካይን ኣለዋ ይብሉ። ካልኦት ድማ፡ ናብ ከባቢ እቲ ዶብ ንምብጻሕ ሸውዓተ ሰዓታት ከም ዝወሰደሎም ተዛሪቦም። ጆርጂያ፡ ዜጋታት ሩስያ ብዘይ ቪዛ ክኣትውላ ዝኽእሉላ ጐረቤት ሃገር እያ። ምስ ሩስያ ናይ 1,300 ኪሎ ሜትሮ ዶብ እትካፈል ፊንላንድ ግን፡ ንተጉዓዝቲ ቪዛ ትሓትት። ከም ኢስታንቡል፣ ቤልግሬድ ወይ ዱባይ ናብ ዝኣመሰላ ከተማታት ዘሎ ዋጋታት ትኬት ነፋሪት፡ ነቲ ወተሃደራዊ ክተት ስዒቡ ክውስኽ ተራእዩ፤ ኣብ ገሊአን ድማ ትኬት ተሸይጡ ተወዲኡ። ሚዲያ ቱርኪ፡ ዋጋ ሓደ ትኬት ኣዝዩ ከም ዝነሃረን፡ ቪዛ ናብ ዘየድልዮም ዝግበሩ ዝተረፉ በረራታት ክኣ ኣሽሓት ዩሮ ከም ዝሓቱ ገሊጹ። ሚኒስትሪ ውሽጢ ዓዲ ጀርመን፡ ትማሊ ሓሙስ ካብ ሃገሮም ንዝሃድሙ ዘለው ሩስያውያን ሃገራ ከም እትቕበሎም ሓቢራ። ሊቱወንያ፣ ላቲቭያ፣ ኤስቶኒያን ቼክ ሪፓብሊክን ግን ንሩስያውያን ዕቑባ ከም ዘይህባ ገሊጸን። ሰርገይ- ትኽክለኛ ሽሙ ኣይኰነን - ድሮ ክኸትት ተጸዊዑ ኣሎ። እዚ ወዲ 26 ዓመት መንእሰይ ተመሃራይ ሳልሳይ ዲግሪ [ፒኤችዲ] መምህር ዩኒቨርሲቲ ኰይኑ፡ ክልተ ሲቪል ዝተኸድኑ ሰባት ናብ ገዝኡ መጺኦም ወተሃደራዊ ወረቓቕቲ ክፍርም ሂቦምዎ። ክሬምሊን፡ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነበሩ፣ ዝተፈለየ ክእለት ዘለዎምን ናይ ውግእ ልምዲ ዘለዎምን ክኸቱ’ዮም ይብል። ሰርገይ ግን፡ ወተሃደራዊ ልምዲ የብሉን። እቲ ኣዋጅ ክተት፡ ብሰሉስ ኣብ ኣብ ቀንዲ ከተማታት እታ ሃገር ሞስኮን ሴንት ፒተርስበርግን ተቓውሞ ከስዕብ እንከሎ፡ 1,300 ሰባት ተኣሲሮም። እቶም ዝተኣሰሩ ሰባት ድማ፡ ኣብ መደበር ፖሊስ እንከለው ነቲ ወተሃደራዊ ወረቓቕቲ ክፍርሙ ተገይሩ ዝብሉ ጸብጻባት ኣለው። ወሃቢ ቃል ክሬምሊን ዲመትሪ ፔስኮቭ ብዛዕባ እዚ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኣንጻር ሕጊ ኣይኰነን ኢሉ። ካልእ ነቲ ኣዋጅ ክተት ዝቃወም ሩስያዊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ናብ ኲናት ምኻድ ንምውጋድ ዘኽእሉ ኩሉ ከም ዝገብር ተዛሪቡ። “ኢደይ፣ እግረይ ክሰብሮ እየ፤ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክኸይድ፤ ማለት እዚ ኹሉ ነገራት ንምውጋድ ዘኽእለኒ ዘበለ ኩሉ ክገብር እየ”። ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሩስያውያን ነቲ ክተት ክቃወሙዎ ብምጽዋዕ፡ ሩስያውያን ኣብቲ ኲናት ዘጋጥሞም ዘሎ ሞት ብምምልኻት “ተወሳኺ ትደልዩ? ኣይፋል? ከምኡ እንተዀይኑ፡ ተቓወሙ፤ መክቱዎ፤ ህደሙ። ወይ ኢድኩም ንዩክሬናውያን ሃቡ” ክብል ተዛሪቡ።","category":"ቭላድሚር ፑቲን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cevk7er91k9o"} {"headline":"ኲናት ዩክረይን፡ ፑቲን ምስ ዘለንስኪ 'ቀጥታዊን ዕቱብን ዝርርብ' ከካይድ ተሓቲቱ","content":"መራሕቲ ፈረንሳን ጀርመንን ንፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ምስ ፕረዚደንት ዩክረይን ዘለንስኪ \"ቀጥታዊ ዕቱብ ዝርርብ\" ከካይድ ከም ዝሓተትዎ ቤት ጽሕፈት ቻንስለር ጀርመን ገሊጹ። ኣማኑኤል ማክሮንን ኦላፍ ሾልዝን ምስ ፑቲን፡ ጉዳይ ዩክረይንን ተዛመድቲ ዛዕባታትን ኣልዒሎም ብተሌፎን ን80 ደቓይቕ ተዘራሪቦም። ብተወሳኺ ቤት ጽሕፈት ቻንስለር ጀርመን፡ ክልቲኦም፡ \"ብቕልጡፍ ተዅሲ ደው ክብልን ሰራዊት ሩስያ ካብ ዩክረይን ክስሕብን ሓቲቶምዎ'ለው\" ክብል ይገልጽ። መራሒ ሩስያ፡ ሞስኮ ምስ ኪቭ ዳግማይ ዘተ ክትጅምር ድልውቲ ከም ዘላ ኣረጋጊጹ'ሎ። እቲ መግለጺ፡ ኣብ መንጐ ፑቲንን ዩክሬናዊ መዘናኡ ቮሎድሚር ዘለንስኪን ቀጥታዊ ዝርርብ ክካየድ ብዛዕባ ዘሎ ተኽእሎ ግን ኣይጠቐሰን። ፕረዚደንት ዩክረይን ኣቐዲሙ ንዝርርብ ብዙሕ \"ህንጡይ\" ከምዘይኰነ'ኳ እንተገለጸ፡ ነቲ ግጭት ንምዕራፍ ግን ኣድላዪ ምዃኑ ከም ዝኣመን ገሊጹ ነይሩ። ሩስያ ብ24 ለካቲት ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ እትጅምር ንደሓር፡ ልኡኻት ሩስያን ዩክረይንን ካብ ርሑቕን ብኣካልን ሓያለ ዙርያታት ዘተ ኣካይዶም'ኳ እንተነበሩ፡ ኣብዚ ዳሕረዋይ እዋን ግን እቲ ዝጸንሐ ጻዕርታት ደው ኢሉ እዩ። ፈረንሳን ጀርመንን ብተወሳኺ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ካብ ፋብሪካ ሓጺን ኣዞቭስታል ከም ምሩኻት ኲናት ዝተወስዱ 2500 ዩክሬናውያን ተዋጋእቲ ክፈትሕ ተማሕጺነናኦ ኣለዋ። እቲ ዓቢይ ፋብሪካ ሓጺን፡ ኣብታ ካብ ሓይልታት ሩስያ ዝወረዳ ደብዳብ ቦምባታት ነዊሕ ተጻዊራ፡ ሕጂ ግን ዑና ኰይና ዘላ ደቡባዊት ወደባዊት ከተማ ማርዮፖል ዝርከብ እዩ። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ሰበስልጣን ሩስያ እቶም ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ፋብሪካ ዓሪዶም ዝነበሩ ዩክሬናውያን ተቓለስቲ ኢዶም ከምዝሃቡ ክገልጹ እንከለዉ፡ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ግን ንኽወጹ ፍቓድ ከምዝተዋህቦም እዩ ዝዛረብ። ሩስያ ኣቐዲማ፡ ልዕሊ 900 ካብቶም ዩክሬናውያን ናብታ ኣብ ዝሓዘቶ ግዝኣት ዶነስክ ትርከብ 'ኦሌኒቭካ' ዝተባህለት ቁሸት ዝተኸፍተ ሓድሽ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተሰጋገሩ ገሊጻ ነይራ። ውሑድ ቁጽሪ ዘለዎም ብኸቢድ ዝቘሰሉ ዩክሬናውያን'ውን ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም እዮም። ዩክረይን ከም ኣካል ናይቲ ዝግበር ምልውዋጥ እሱራት፡ ዜጋታታ ክፍትሑ ተስፋ'ኳ እንተለዋ ኣለዋ፡ ሩስያ ግን ነዚ ኣየረጋገጸትን። ገለ ኣባላት ባይቶ ሩስያ፡ እቶም ተታሒዞም ዘለው ዩክሬናውያን ክፍረዱ ወይ ክቕተሉ ይከራኸሩ ከም ዘለው ይፍለጥ። ኣብቲ ሰለስቲኦም መራሕቲ ዝገበርዎ ናይ ተሌፎን ዝርርብ ብተወሳኺ፡ መራሕቲ ፈረንሳን ጀርመንን፡ ሰደድ እኽሊ ንምርግጋእ ምእንቲ ክሕግዝ፡ ነቲ ሩስያ ኣብ ወደብ ኦዴሳ ዩክረይን ኣጽኒዓቶ ዘላ እገዳ ከተልዕሎ፡ ንፑቲን ተማሕጺኖምዎ። ፑቲን ብወገኑ ንሓደጋ ዓለማዊ ቅልውላው መግቢ ንምፍታሕ ክሕግዝን ኣማራጺታት ክርኢን ምዃኑ ቃል ብምእታው፡ እንተዀነ ምዕራባውያን ነቲ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ኣሕሊፎምዎ ዘለው እገዳታት ከልዕሉ ሓቲቱ'ሎ። ሩስያ ብተወሳኺ፡ ፈረንሳን ጀርመንን ንዩክረይን ዝገብራኦ ዘለዋ ቀረብ ኣጽዋር፡ ዝያዳ ዘይምርግጋእ ዝፈጥር ምዃኑ ብምግላጽ፡ ደው ከብላኦ ኣጠንቂቓ። ኣብ ዩክረይን ኣብ ባይታ ዘሎ ወተሃደራዊ ኵነታት ከም ዘለዎ እናቐጸለ፡ እዞም ክልተ መራሕቲ ሓያላን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ቀጥታዊ ዝርርብ የካይዱ ምህላዎም ትርጕም ዘለዎ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ። እዚ ንዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ዝገብርዎ ጻውዒት፡ እቲ ብዅሎም ምዕራባውያንን መሻርኽቶምን ዘይተደገፈ ገስጋስ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ዶንባስ ይቕጽል ኣብ ዘለወሉ እዩ። ዝያዳ ስግኣት ምዕራባውያን እዚ እዋን ድማ፡ ዩክሬናውያን ምእንቲ ሰላም ክብሉ መሬት ንኽለቍ ጸቕጢ ከይስዕብ ምዃኑ ይንገር። እዚ ዅሉ ዝሰዓበ፡ ሞስኮ ነታ ወሳኒት መስቀላዊት ከተማ ሊማን ከም ዝሓዘታ ኣብ እትገልጸሉ ዘላ እዋን እዩ። ኣብ ልዕሊ ሰቨሮዶነስክ ዝገበረቶ መጥቃዕቲ'ውን ትቕጽል ኣላ። እታ ኢንዱስትርያዊት ከተማ ዩክረይን ንመዓልታት ተኸቢባ ጸኒሓ'ላ፣ ዩክረይን ከኣ ንሓይልታታ 'ስትራተጂያዊ ምንስሓብ' ክትእዝዝ ዘሎ ተኽእሎታት ዘመልክት ጸብጻባት ይቐርብ ኣሎ። ከመይነት 'ዚ ፈተነታት ዲፕሎማሲ ንምድምዳም ሃወኽ ዝኸውን'ኳ እንተዀነ፡ ምብትታን ምዕራባዊ ኪዳን ኣብ ጉዳይ ዩክረይን ዘመላኽት ክኸውን ከም ዝኽእል ግን ዝተፈላለዩ መርገጺታት ክቕልቀሉ ጀሚሮም ኣለዉ።","category":"ቭላድሚር ፑቲን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61623791"} {"headline":"ሰነዳት ፓንዶራ፡ ሚስጢራዊ ሃፍትን ስምምዓትን መራሕቲ ዓለም ዘቃልዑ ሰነዳት ፓንዶራ","content":"ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ልሒኾም ዝወጽኡ ሰነዳት ፋይናንስ፡ መራሕቲ ዓለም፣ ፖለቲከኛታትን ቢልየነራትን ዓለም ብሚስጢር ዘኻዕበቱዎ ሃፍቲ ኣቃሊዑ። እዚ 'ፓንዶራ ፔፐርስ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰነድ፡ ገለ 35 ኣብ ስልጣን ዝርከቡን ነባራትን መራሕቲ ከምኡ'ውን 300 ሰብ መዚ መንግስቲ ዝጓሓልዎ ሃፍቲ ኣቃሊዑ። ንጉስ ዮርዳኖስ ብሕቡእ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝን ኣመሪካን 70 ሚሊየን ፓውን ዘውጽእ ንብረት ከም ዘኻዕበተ እዚ ሰነድ ይጠቅስ። ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ነበር ቶኒ ብሌየርን በዓልቲ ቤቱን'ውን ኣብ ለንደን ቤት ጽሕፈት ክገዝኡ እንከለው ብኸመይ ካብ ቐረጽ ቴምብር 312 ሽሕ ፓውንድ ከም ዘትረፉ የርኢ። እቶም መጻምዲ ነቲ ህንጻ ዝውንን ኩባኒያ ዓዲጎምዎ'ዮም። እቲ ልሒኹ ዝወጽአ ሰነድ ፕረዚደንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ሞናኮ ሚስጥራዊ ንበረት ኣለዎ ይብል። ወሲኹ፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ውድድር መረጻ ዝጽበዮ ቀዳማይ ሚኒስትር ቼክ ሪፐብሊክ ኣንድሬይ ባቢስን ኣብ ደቡብ ፈረንሳ ብ12 ሚልዮን ፓውንድ ክልተ ቪላ ንምዕዳግ ብዛዕባ ዝተጠቐመሉ ኩባኒያ ኢንቨስትመንት ወግዓዊ ኣይገበረን ኢሉ። ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ቅድም ኢሉ ሰነዳት ፊንሴን፣ ሰነዳት ፓራዳይዝ፣ ፓናማን ሉክስሊክስን ወጺኦም ብዙሓት ሚስጢራዊ ሰነዳት ሃፋትምን መራሕቲ ዓለምን ኣቃሊዖም'ዮም። መርመራ እዞም ሰነዳት ብማሕበር ዓለምለኸ ጋዜጠኛታት መርመራ [ኣይሲኣይጄ] ዝተወደበ ኮይኑ ልዕሊ 650 ጋዜጠኛታት ተሳቲፎምሉ። ቢቢሲ ፓኖራማ ምስ ጋርዲያንን ካልኦት ማዕኸናት ዜናን ተላፊኑ ኣብ ዘካየዶ መርመራ ኣብ ብሪጣኒያ ደሴታት ቨርጂኒያ፣ ፓናማ፣ ቤሊዝ፣ ቆጵሮስ፣ ሕቡራት ዓረብ ኢመራት፣ ሲንጋፑርን ስዊዘርላንድን ካብ 14 ኩባኒያታት ፋይናንስ ዝረኸቦም ናብ 12 ሚሊዮን ዝጽግዑ ሰነዳትን ረኺቡ። ገሊኦም ብገበናት ብልሽውና፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብን ዓለምለኸ ምስዋርን ይኽሰሱ። ይኹን'ምበር ዕላዊ ካብ ዝኾኑ ዓበይቲ ጉዳያት እቲ ሓደ፡ ብኸመይ ፍሉጣትን ሃፋትምን ሰባት ኣብ ብሪጣኒያ ብሕጋዊ ግን ድማ ብሕቡእ መገዲ ንብረት ንምዕዳግ ኩባኒያታት ከም ዘጣየሹ የረድእ። ፕረዚደንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲንን ንጉስ ዮርዳኖስ ዓብዱላህ ካልኣይ ቢ ኣል-ሑሴንን ግን ዋላ ሓደ ዝፈጸምናዮ ስሕተት የለን ክብሉ ነቲ ጸብጻባት ነጺጎምዎ። ንጉስ ዓብዱላህ ኣብ ወጻኢ ንብረት ምውናኑ \"ዘይተለምደን ዘይቅኑዕን ኣይኮነን\" ኢሉ። ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሩሲያ ዲመትሪ ፔስኮቭ \"መርትዖ ዘይብሉ\" ሓበሬታ ብምባል \"ሕጂ እቲ ሓበሬታ ብዛዕባ እንታይ ምዃኑ ግልጺ ኮይኑ ኣሎ። ዋላ ሓደ ዝተሓብአ ሃፍቲ ፑቲን ክኣ ኣብ ውሽጢ ኣይርኣናን\" ኢሉ። እቶም ሰነዳት ብድሕሪ እቶም ዕድጊታት 95 ሽሕ ኩባኒያታት ወጻኢ ከም ዘለው'ውን ይገልጹ። ብመንግስቲ ብሪጣንያ ብተደጋጋሚ መብጽዓ ዝኣተዎ ግን ድማ ዘይተግበሮ ምዝገባ ሰብ ሃፍቲ ወጻኢ ዘስዓቦ ምዃኑ የርኢ። ኣብታ ሃገር፡ ገለ ዓደግቲ ንብረት ገንዘብ ብምትላል ዕድጊታት ክሓብኡ ይኽእሉ'ዮም ብዝብል ስግኣት ምዝገባ ከም ዝግበር ብተደጋጋሚ ቃል ተኣትዩ ነይሩ። ኣብ ገዛእ ሃገሮም ይዘምቱ'ዮም ተባሂሉ ዝተኸሰሱ ፕረዚደንት ኣዘርባጃን ኢልሃም ኣሊዮቭን ስድራቤቱን ናይዚ ኣብነት እዮም። እቲ መርመራ፡ ፕረዚደንት ኣሊዬቭን ናይ ቐረባ ኣዝማዱን ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ብሕቡእ ኣብ ዕድጊት ንብረት ልዕሊ 400 ሚልዮን ፓውንድ ተሳቲፎም ይብል። እቶም ሰነዳት እቲ ፕረዚደንት ሓደ ካብቶም ዝዓደጎም ንብረታት ብ31 ሚሊየን ፓውንድ ከም ዝሸጠ ኣቃሊዖም። እዚ ንብረት እታ ንግስቲ ኮይኑ ነታ ሃገር ገንዘብ ዘተኣኻኽብን ብግምጃ ቤት ዝመሓደርን'ዩ። መብዛሕትኦም ልውውጣት ግን ዋላ ሓደ ዘይሕጋዊ ተግባር ከም ዘይተፈጸመ እቶም ሰነዳት የርእዩ። ጋዜጠኛ ኣይሲኣይጂው ፈርጉስ ሺየል፤ \"ዋላ ሓደ ልክዕ ዝተገብረ ነገር የለን። እዞም ኩባኒያታት ሰባት ብዙሕ ገንዘብ ንክሓብኡ ወይ ግብሪ ክስውሩ ከም ዝሓገዙ ዘርኢ ሓቂ'ዩ\" ኢሉ። ወሲኹ \"እዞም ኩባኒያታት ናይ ደገ ኣካውንታት ተጠቒሞም ኣብ ካልኦት ሃገራት ብኣማኢት ሚሊዮናት ዶላራት ዝግመት ንብረት ንምዕዳግን ብወጻኢ ዜጋታቶም ቤተሰቦም ክህብትሙ ይጠቕሙዎም ኣለው\" ይብል። ኣይሲኣይጄ እቲ መርመራ \"ዓይኒ ዘንቁሕ\" ክብል ክገልጾ እንከሎ 'ሰንዳት ፓንዶራ' ዝብል ሽም ሂቡዎ ኣሎ። ሰነዳት ፓንዶራ፡ ንጉስ ዮርዳኖስ ብኸመይ ኣብ ኣመሪካን ኢንግሊዝን ልዕሊ 100 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ንብረት ከም ዝኣከበ የርእዩ። ንሱ፡ ብ1999 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ስልጣን ካብ ዝሕዝ ጀሚሩ ንጉስ ዓብዱላሂ ካልኣይ ቢል ኣል-ሒሴን 15 መንበሪ ኣባይቲ ንምግዛእ ኣብ ብሪጣኒያን ደሴታት ቨርጂንን ካልኦትን ዝርከቡ ኩባኒያታት ወጻኢ ተጠቒሙ'ዩ። እዚ፡ ኣብ ማሊቡ፣ ካሊፎርኒያን ለንደንን ዝርከቡ ንገምገም ባሕሪ ዝጥምቱ 50 ሚሊየን ፓውንድ ወጻኢ ዝተገብረሎም ንብረታት ዝሓውስ'ዩ። ንሱ፡ ኣብታ ሃገር ብዝኽተሎ ምልካዊ ስርዓትን ካብ ቀረባ ዓመታት ተግባራዊ ዝገበሮ ወሰኽ ግብርን ጥንኩር ስጉምታት ክኽሰስ ጸኒሑ'ዩ። ጠበቓታቱ ግን ኩሎም ብናይ ውልቁ ሃፍቲ ዝተዓደጉ'ዮም ብምባል ይካትዑ። ፍሉጣት ሰባት ኩባኒያታት ወጻኢ ተጠቒሞም ንብረት ዝዕድጉሉ መገዲ ልሙድ ከም ዝኾነን ንውሕስናን ውልቃዊ ድሕነትን ብዝብል ከም ዝኾነን'ውን ገሊጾም። ቀዳማይ ሚኒስተር ቼክ ሪፐብሊክ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ መልሲ እቲ ክሲ ነዚ ኣብዚ ሰሙን ዝተወደበ መረጻ ንምጽላው ዝዓለመ'ዩ ብምባል \"ዋላ ሓደ ዘይሕጋዊ ወይ ጌጋ ነገር ኣይፈጸምኩን\" ክብል ተቓዊሙ። ፕረዚደንት ኡህሩ ኬንያታ ብወገኑ እቲ መርመራ \"ንሕና ኣብ ኬንያን ዓለምን እንደልዮ ፋይናንሳዊ ግልጽነትን ተኣማንነትን ንምዕባይ ዓብዪ ግደ ኣለዎ\" ብምባል \"ኣብ ወጻኢ ሃገር ዘለኒ ዑደት ወዲአ ምስ ተመለስኩ ግቡእ መልሲ ክህበሉ'የ\" ኢሉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ብወገኑ መርመራ ከካይድ ቃል ኣትዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ነበር ቶኒ ብሌርን በዓልቲ ቤቱ ቼሪ ብሌየርን ሃብቶም ብዛዕባ ምሕብኦም ኣብ ውሽጢ ሰነዳት ፓንዶራ ዝተገልጸ ነገር የለን። እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ግን 6.45 ሚልዮን ፓውንድ ዘውጽእ ንብረት ክዕድጉ እንከለው ቐረጽ ቴምብር ከም ዘይኸፈሉ ይጠቅስ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር፡ ብሓምለ 2017 ዓ.ም ኣብ ማእኸላይ ለንደን ሜሪሌቦን ዝርከብ ህንጻ ክዕድጉ እንከለው ነቲ ዋና ዝነበረ ኩባኒያ ገዚኦምዎ። እዚ ህንጻ ሕጂ በዓልቲ ቤቱ ናይ ሕጊ ምምኻር እተሳልጠሉ ኮይኑ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለው መንግስታትን ንዘጣየሸቶ ፋውንዴሽን ደቂ ኣንስትዮን ናይ ምምኻር ኣገልግሎት ይህብ። ኣብ ኢንግሊዝ ብተመሳሳሊ መገዲ ንብረት ምርካብ ሕጋዊ ኮይኑ ቐረጽ ቴምብር ዘይክትኸፍል ትኽእል ኢኻ። እንተኾነ ቶኒ ቤሌየር ቅድም ኢሉ ክፍተታት ግብሪ እናልዓለ ክነቅፍ ጸኒሑ'ዩ። በዓልቲ ቤቱ ግን እቲ ህንጻ ካብቲ ኩባኒያ ከም ዝዓገደጉዎን ብመሰረት ሕግታት ብሪጣኒያ ከም ዝኾነን ብምግላጽ ንሓዋሩ ክሸጡዎ እንተኾይኖም ግብሪ ክኸፍሉ ምዃኖም ተዛሪባ። ወነንቲ እቲ ንብረት ምስ ባሕሬን ፖለቲካዊ ርክብ ዝነበሮም ስድራቤት ኮይኖም እቲ ንብረት ንምሻጥ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ምስ መን ይደራደሩ ከም ዘለው ከም ዘይፈልጡ ገሊጾም። ካልኦት ሰነዳት'ውን ቤተሰብ ኣመሓዳሪ ኣዘርባጃን ነቶም ኩባኒያታት ተጠቒሞም ብሕቡእ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ንብረት ዝረኸብሉ መገዲ የርእዩ። እቶም ሰነዳት ስድራቤት ፕሬዝደንት ኣዘርባጃን ብሕቡእ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ንብረታት ከም ዝዓደጉ ይጠቕሱ። እዞም ንነዊሕ ዓመታት ብብልሽውና ዝኽሰሱ ስድራቤታት ኣብ ኤውሮጳ 17 ንብረታት ክዕድጉ እንከለው፡ ኣብ ለንደን ንወዲ 11 ዓመት ወዲ እቲ ፕሬዝደንት ሄይደር ኣሊዬቭ ዝተዓደገ 33 ሚሊየን ፓውንድ ዘውጽእ ንብረት ኣሎ። ኣብ ሜይፈር ውሽጢ ዘሎ ህንጻ ብ2009 መሓዛ ቤተሰብ ፕሬዝደንት ኢልሃም ብዝኾነ ኩባኒያ ተዓዲጉ። ድሕሪ ሓደ ወርሒ ናብ ሽም ሄይደር ተዛዊሩ። ፕረዚደንት ኣዘርባጃንን ስድርኡን ግን መልሲ ንምሃብ ፍቓደተኛታት ኣይኮኑን። መንግስቲ ብሪጣንያ ብሓያል ሕግታትን ኣፈጻጽማን ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ስጉምቲ ክወስድ'የ ኢሉ።","category":"ቭላድሚር ፑቲን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58783555"} {"headline":"ብሰንኪ ኣዋጅ ክተት ዶባት ክሰግሩ ዝግደዱ ዘለዉ ዜጋታት","content":"ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣስታት 300 ሽሕ ዕቑር ሰራዊት ብከፊል ክኸትት ድሕሪ ምእዋጁ፡ ኣማኢት ሩስያውያን ናብ ጆርጅያ ክሰግሩ ነዊሕ ሪጋ ሒዞም ይረኣዩ።","category":"ቭላድሚር ፑቲን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cm5yrlnjz55o"} {"headline":"ሩስያ፡ ገዛኢ ሰልፊ ኣብ ምርጫ ርእሰ ከተማ ሞስኮ ከቢድ ስዕረት ኣጋጢምዎ","content":"ብፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዝምራሕ ሰልጣን ጨቢጡ ዘሎ ሰልፊ ሓድነት ሩስያ፡ ኣብ ብሰንበት ዝተኻየድ ባይቶኣዊ ምርጫ ርእሰ ከተማ ሞስኮ ከቢድ ስዕረት ኣጋጢምዎ'ሎ። እቲ ሰልፊ፡ ሓደ-ሲሶ ናይቲ 45 ዝኣባላቱ ባይቶ እታ ከተማ ብኻልኦት ተመንጢሉ። ይኹን 'ምበር 26 መናብር ብምርካብ ላዕለዋይ ኢድ ሒዙ ይርከብ። ኣብቲ ሓያሎ ሕጹያት ተቓውምቲ ከም ዝግለሉ ዝተገብረሉ ምርጫ፡ ዴሳውያን፡ ብውልቆም ዝተወዳደሩን ካልኦትን ሓደስቲ መናብር ተዓዊቶም። ምእጋድ ሕጹያት ቀንዲ ተቓውምቲ ሰልፍታት ኣብታ ከተማ ተሪር ተቓውሞ ገጢምዎ'ዩ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ከም ዝተዳጎኑን፡ ፓሊስ ኣብ ልዕሊኦም መጠኑ ዝሓለፎ ሓይሊ ተጠቒሙ ተባሂሉ ይኽሰስ። እቲ ስዕረት፡ በሰንኪ ኣብ ውሽጢ እቲ ሰልፊ ዘሎ ዘይምቅዳው ምዃኑን፡ ሓያሎ ካብ ሕጹያቱ ብውልቆም ክወዳደሩ ብምውሳኖም ዝሰዓበ'ዩ ተባሂሉ። ሓላፊ ናይቲ ሰልፊ ኣብ ሞስኮ ንባዕሉ ዘይምምራጹ፡ ነቲ ስዕረት ዘጉልሕ'ዩ። ኣብ ካልእ ከባቢታት ዝተኻየደ ዞባዊ ምርጫታት ግን፡ ሕጹያት ሰልፊ ሓድነት ሩስያ ጽቡቕ ውጺኢት ኣመዝጊቦም ኣለዉ። ኣመሓደርቲ ናይተን 16 ዞባታት ንምምራጽ ኣብ ዝግበር ምርጫ፡ ሕጹያት ሰልፊ ሓድነት ክዕወቱ ትጽቢት ይግበር። እቲ ምርጫ ትሑት (20%) ተሳታፍነት ዝተራእየሉ ምዃኑ ተገሊጹ። ሰልፊ ሓድነት ሩስያ፡ ንቭላድሚር ፑቲን ንምድጋፍ ኣብ 2001 ዝቖመ ሰልፊ'ዩ።","category":"ቭላድሚር ፑቲን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49638423"} {"headline":"ፕረዚደንት ፑቲን ሩስያ 'ዘይጽዓድ' ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከም ዝሰርሐት ኣፍሊጡ","content":"ሩስያ ክስነፉ ዘይክእሉ ሓደስቲ ኑክሌራዊ ኣጽዋራት ኣማዕቢላ ከምዘላ፡ ፕረዚደንት ቭላዲሚር ፑቲን ሓቢሩ። ቭላዲሚር ፑቲን ነዚ ዝገለጸ፡ ንራብዓይ ግዜ ፕረዚደንት ኮይኑ ንኽምረጽ ኣብ ዝሸባሸበሉ ዘሎ እዋን፡ ሓንጺጹዎ ንዘሎ ናይ መጻኢ ቀንዲ ፖሊሲታቱ ኣብ ዝሓበረሉ'ዩ። እቲ 'ኣማዕቢልና ኣለና' ዝበሎ ኣጽዋራት፡ ናይ ርሕቀት ደረት ዘይብሉ ክሩዝ ሚሳይል የጠቓልል። ኣብ መግለጺኡ፡ ፑቲን እቲ ሓዲሽ ሚሳይል በቲ ኣብ ኤውሮጳን ኤስያን ዝርከብ ናይ ኣሜሪካ መከላኸሊ'ውን እንተኾነ፡ ክጎናደብ ዝኽእል ኣይኮነን ኢሉ። \"ትሒቱ ዝበርርን ብቐሊሉ ክረአ ዘይክእልን ክሩዝ ሚሳይል ሰሪሕና ኣሎና። እዚ ናይ ርሕቀት ደረት ዘይብሉን፡ ዝኸደሉ መስመር ክፍለጥ ዘይክእልን ኣጽዋር፡ ኹሎም እቶም ኣብዚ እዋን'ዚ ዝምዕብሉ ዘለዉ ናይ ኣየርን ምክልካልን ሚሳይላት ክገጥምዎ ዘይክእሉ'ዩ፡\" ድማ ኢሉ። ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ ካብ ሳብማሪን ዝብገስ ነዊሕ ክጓዓዝ ዝኽእል ኑክሌራዊ ሚሳይል'ውን ተዛሪቡ። ኣብቲ ብተሌቪዥን ዝተመሓላለፈ፡ ንኣባላት ባይቶ'ታ ሃገር ንኽልተ ሰዓት ዝሃቦ መግለጺ፡ ሩስያ፡ ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ካብ ዉዕል ጸረ-ሚሳይላት ንኸይትወጽእ ንዓመታት ክትላበዋ ድሕሪ ምጽናሓ'ያ ነዚ ስጉምቲ'ዚ ትወስድ ዘላ ኢሉ። ኣብ'ቲ ድሕሪ 17 መዓልታት ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ ዋላ'ኳ ብዘይካ ፑቲን ካልኦተ 7 ሕጹያት እንተለዉ፡ ሰፊሕ ደገፍ ሃሊዩዎም ንፑቲን ከስግእዎ ዝኽእሉ ኣይኮኑን። ረቡዕ ኣብ ዘተኻየደ ብተሌቪዥን ዝተመሓላለፈ ርሱን ክትዕ ፕረዚደንታዊ ሕጹያት'ውን እንተኾነ፡ ፑቲን ገዲፍካ እቶም ዝተረፉ ኩሎም ዝተሳተፉዎ'ዩ ኔይሩ። ኣብቲ ክትዕ ዘይተሳተፈ፡ ካብ ምውድዳር ተኣጊዱ ዘሎ መራሒ ሓንቲ ካብተን ተቓዋሚት ሰልፊ፡ ኣሌክሴይ ናቫልኒ ብወገኑ ሩስያውያን ንኸየድምጹ ይጽዉዕ ኣሎ። ፑቲን ክሳብ ሕጂ ፕረዚደንታዊ ጎስጓስ ብግቡእ ኣይጀመረን ዘሎ፡ ብዛዕባ ንዝመጽእ 6 ዓመታት ዘለዎ መደባት'ዉን ኣይገለጸን። እዚ ሕጂ ሩስያ ኣጽዋር ኣማዕቢላቶ'ላ ኢሉ ፑቲን ዝዛረበሉ ዘሎ፡ ነጽብራቕ ናይ'ቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ክቐርብ ዝጸነሐ ተመሳሳሊ መግለጺታት'ዩ። ፑቲን ኣብ መደረኡ፡ ሩስያ ካብ ምክልኻል ጸረ-ባሊስቲካዊ ሚሳይላት ኣሜሪካ ከምልጣ ዝኽእላ ክልተ ሓደስቲ ሲስተማት ሚሳይል ኣማዕቢላ ከምዘላ'ዩ ኣስሚሩሉ። እታ ሓንቲ ኑክላራዊት ሚሳይል ነዊሕ ናይ ምጓዓዝ ክእለት ዘለዋ ኾይና፡ ካብ እዋን ሶቭየት ሕብረት ኣትሒዛ ክትስራሕ ዝጸነሐት ክትከውን ትኽእል'ያ ዝብል ግምታት ኣሎ። ኣሜሪካውያን ተንተንቲ ድማ እዚ ስግኣት ክፈጥር ዝኽእላ ሓድሽ ኩነታት'ዩ ይብሉ። እታ ልዕሊ ፍጥነት ድምጺ ክትዉንጨፍ እትኽእል ካልኣይቲ ሚሳይል ግን ጌና ኣብ ምስራሕ ዘላ'ያ ትመስል። እዚ ኾይኑ ግን፡ ካብቲ ኣብዚ እዋን ኣሎ ዝበሃል ጸረ-ሚሳይላት ናይ ምምላጥ ተኽእሎ ክህልዋ ይኽእል'ዩ። ቻይናን ኣሜሪካን ብወገነን ተመሳሳሊ ሓይሊ ኣብ ምምዕባል ይርከባ።ፑቲን፡","category":"ቭላድሚር ፑቲን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-43249562"} {"headline":"\"ትብፃሕ ካብ እትውለዲ ናብ ዘይረኣኹኺ ጓለይ...” ናብ ትግራይ ዝተላእኹ ደብዳቤታት","content":"ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ዝበልዖ ህይወት ሰባት፣ ዘብፅሖ ኣካላውን ስነ-ልቦናውን ጉድኣት ብተወሳኺ፡ መሰረተ ልምዓት ትግራይ ንዓመታት ናብ ድሕሪት ተመሊሱ ኣሎ። ካብዚ ብተወሳኺ ቴሌፎን፣ ኢንተርኔትን ባንኪን ካብ ዝቋረፅ ክልተ ዓመት መሊእዎ ይርከብ። ድምጺ ቤተሰብ፣ ኣዝማድ፣ መቕርብን መሓዙትን ምስማዕ ብርቂ ካብ ዝኸውን ነዊሕ እዋን ዝተቖፀረ ኮይኑ፡ቴለፎን ኣልዒልካ ናብ እትፈትዎ ሰብ ምድዋል ዝሕሰብ ኣይኮነን። ዓሚ ኣብ ዝተዳለወ ሓደ ቪድዮ፡ ኣብ መቐለ ዝርከቡ መንእሰያት፡ “ድምጺ ቴለፎን ክትሰምዑ ከለኹም እንታይ ይስምዓኩም?” ዝብል ሕቶ ምስቀረበሎም፡ “ኣላርም [መዘኻኸሪ ደወል] ትድውል ከምዘላ እየ ዝሓስብ” ዝብል መልሲ ሂቦም ነይሮም። እቶም ዕድለኛታት ዝኾኑ ሰባት ብፍላይ ብሰራሕተኛታት ረድኤት ኣቢሎም ናብ ስድርኦም ናይ ድምጺ መልእኽቲ ወይ ስእሊን ቪድዮን ይልእኹ። እዚ መልእኽቲ ግን ድሕሪ ሰሙናት ወይ ኣዋርሕ ኣቢሉ እዩ ዝበፅሕ። ኣብ ሞንጎ ፌደራል መንግስቲን መራሕቲ ትግራይን ስምምዕ ሰብኣዊ ምቁራፅ ተኹሲ ኣብ ዝተገበረሉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፡ ተወለድቲ ትግራይ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምኻድ ናብ ስድርኦም ስልኪ ይድውሉ ነይሮም። ኣብቲ ክልል ቴሌፎንን ኢንተርኔትን ካብ ዝተቛረጸሉ እዋን ንደሓር ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ዘለዉ ሰባት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሓንቲ ከተማ ዝርከቡ ሰባት እውን፡ ከም ቀደሞም ክራኸቡ ኣይክእሉን። በዚ ምኽንያት ደብዳቤታት ናብ ምፅሕሓፍ ክምለሱ ተገዲዶም ኣለዉ። ቢቢሲ ንኻልኣይ ዓመት ምጅማር ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ንምዝካር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝነብሩ ሰባት፡ ኣብ ትግራይ ናብ ዝርከቡ ስድርኦምን ፈተውቶምን ደብዳቤ ክፅሕፉ ሓቲቱ’ሎ። ገለ ካብቶም ኣብዚ ጸብጻብ ዝተኻተቱ ደብዳቤታት ኣቐዲሞም ዝተጻሕፉ ኮይኖም፡ ገሊኦም ድማ ምስዚ ጸብጻብ ብዝተኣሳሰር ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሎም ሕቶታት ምላሽ ንምሃብ ዝተጻሕፉ እዮም። ነቲ ኣቐዲሞም ዝጸሓፍዎ ደብዳቤ ዳግማይ ጽሒፎም ዝለኣኹልና ገለ ሰባት’ውን ኣለዉ። ብዘይካ ሓንቲ ደብዳበ ዝተረፉ ደብዳቤታት ብባዕሎም እቶም ሰባት ዝተፀሓፉ እዮም። ሃፍቶም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እዩ ዝነብር። ኣብ ትግራይ ምስ ዝርከቡ በዓልቲ ቤቱን ቦኽሪ ወዱን ካብ ዝራኸብ ክልተ ዓመት ኮይንዎ ኣሎ። እቲ ኲናት ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን በዓልቲ ቤቱ ነፍሰጾር እያ ነይራ። ካልኣይቲ ጓሉ ክትውለድ ከላ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣይነበረን። እታ ቆልዓ ካብ እትውለድ ኣይረኣያን። “መግቢ ክበልዕ ምስ ቀረብኩ ንስኻትኩም ትዝከሩኒሞ ናይ ገበን ስምዒት ይስምዓኒ። ብድሕሪኡ ከይበላዕኩ እየ ዝሓድር” ይብል ሃፍቶም። ብዛዕባ እታ ብዓይኑ ክርእያ ስለዘይከኣለ ጓሉ ድማ \"እታ ብሓሳብ እምበር ብኣካል ዘይፈልጣ ጓለይ ከመይ ኣላ? ስማ መን ከምዝበልክያ’ኳ እንተዘይፈለጥኩ ኣነ ግን 'ናፍቖት' ኢለያ ኣለኹ\" ክብል ኣብ ደብዳቤኡ ገሊጹ። ስመይ ከይግለፅ ኢሉ ነዚ ዝቕፅል ደብዳበ ዝለኣኸልና ውልቀሰብ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እዩ ዝነብር። ኣብ ትግራይ ምስ ዝርከቡ ስድርኡ ካብ ዘዘራረብ ክልተ ዓመት ኮይኑዎ ኣሎ። ኣብታ ደብዳበ \"ክቡራት ስድራይ፡ ብሂወት እንተሃሊኹም ከመይ ኣለኹም?\" ክብል ይሓትት። ብዛዕባ እቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ክገልጽ እንከሎ፡ \"ዓሙቝ ጓሂ፣ ጭንቀት፣ ቅዛነትን ስቓይን ዝዓሰሎ፤ ክሳብ ዓጽሚ ዝበጽሕ ናፍቖትን ስቑንቁንን ዝሓየለሉ እዩ\" ይብል። ነዚ ደብዳቤ ዝሰደደትልና ውልቀሰብ ካብ ኢትዮጵያ ወጺኣ እትነብርን ዳርጋ ክልተ ዓመት ምስ ወዳ ክትዘራረብ ዘይከኣለትን ኣደ እያ። ቅድሚ ኲናት ናብ ኣዲኣን ወዳን ገንዘብ ብምልኣኽ እያ ትሕግዞም ነይራ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ነዚ ክትገብር ኣይከኣለትን። ወዳ ብሰንኪ ሕጽረት መድሃኒት ብሕማም ኣዝማ ከም ዝሳቐን ቅድሚ ኣዋርሕ ሓደ ሰራሕተኛ ትካል ረድኤት ብሰብ ኣቢላ ምስረኸበት ‘ኢንሂለር’ (ንሕሙማት ኣስሚ ዝውዕል መተንፈሲ መሳርሒ) ከም ዝሰደደትን ሓቢራትና። ዝጸሓፈቶ ደብዳቤ ዝስዕብ እዩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ እትነብር ጸሓፊት እዚ ደብዳበ፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ንስድራኣ ክትሓትት ወይ ናታቶም ድምፂ ክትሰምዕ ከም ዘይከኣለት ትዛረብ። ናብ ኣዲኣን ኣሓታን ዝጸሓፈቶ ደብዳበ \"ፍትውቲ ኣደይን ስድራይን፡ ንዓኽን ክርእይ እግረይ መሬት ትግራይ ካብ ዝረግፅ ዳርጋ ክልተ ዓመት ኮይኑ ኣሎ\" ብምባል ትጅምሮ። ኣስዒባ፡ “ካብ ሓደጋ ነጻ ዝኾነ ህይወት ሕልሚ ኣብ ዝመስለሉ ኩነታት ምንባር ከመይ ይገብረኩም ኣሎ? እቶም ቆልዑ ኸ ድምጺ ደብዳባት ለሚዶሞ’ዶ?\" ትብል። ጸሓፊ እዚ ደብዳቤ ሰሎሞን ኣብ ኡጋንዳ እዩ ዝነብር። ኣብቲ ደብዳበ፡ ካብ ስድርኡ ድምፂ ክሰምዕ ዘይምኽኣሉን ክበፅሓሎም ኣብ ዝግባእ እዋን ክበጽሓሎም ዘይምኽኣሉን ይገልጽ። ንሱ \"ኣቦይ ሓሚምካ ሰሚዐ ክበጽሓልካ ብዘይምኽኣለይ ብዘይካ ንብዓት ካልእ ኣማራጺ የብለይን\" ይብል። ወሲኹ ድማ \"ኣደይ ነቲ ዘሳቕየኪ ሕማም ዝኸውን መድሃኒት ዘይምርካብክን ግዜኡ ዝሓለፎ መድሃኒት ትወስዲ ምህላውክን ምስ ሰማዕኩ፡ ንምፍጣረይ ክሳብ ዝጸልእ ሓዚነ\" ይብል ሰለሞን። ካልእ ንቢቢሲ ዝበጽሖ ደብዳበ ናይ ፍቕሪ ደብዳበ እዩ። ስሙን ዝነብረሉ ቦታት ከይጥቀስ ዝደለየ ጸሓፊ፡ ምስታ ኣብ ትግራይ እትነብር ኣፍቃሪቱ መብዛሕትኡ ጊዜ ብደብዳቤ እዩ ዘዕልል። ከምኡ ንምግባር’ውን ደብዳቤ ዘብጽሕ ሰብ እንተተረኺቡ እዩ። ሓሓሊፋ ኣብ ኢንተርነት ዘለዎ ቦታ ክትኸይድ እንተኽኢላ ናይ ድምጺ መልእኽቲ ትሰደሉ። እቲ ኲናት እንተዘይውላዕ ነይሩ፡ እቶም መጻምድቲ ዓሚ ክምርዓዉ መደብ ነይርዎም። እቲ ውልቀሰብ ነቲ ደብዳበ ብኮምፒተር ጽሒፉ ድሕሪ ምልኣኹ፡ ቢቢሲ ንገለ ክፋሉ ብኢድ ሳልሳይ ኣካል ኣዳልይዎ’ሎ። ናይ ኣምሓርኛ ትርጉም ናይቲ ብትግርኛ ዝተጻሕፈ ደብዳቤ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ። ከመይ ቀኒኺ መዓረይ ድሓን ዲኺ? ነዚ እዋን ከመይ ትሓልፍዮ ኣለኺ? ንነገሩ እየ ዝሓተኪ ዘለኹ’ምበር መዓረይ ንስኺ ፅንዕቲ፡ ንዝመጽእ ፈተና ተጻዊርኪ ንጽባሕ ተስፋ ሒዝኪ ከምእትነብሪ ጠፊኡኒ ኣይኮነን። ኣነ ድሓን እየ፤ [ሓደ ሰብ] ‘ክኸይድ ስለዝኾንኩ መልእኽቲ ኣለካ ድዩ’ ኢሉ ምስሓቲቱኒ ብታህዋኽ፤ ኣብ ካፌ ምሳሕ እናበላዕኹ ኣብ እዝነይ ኢርፎን ጌረ ድምጸይ ስለዝቐዳሕኽዎ እምበር ኣነስ ድሓን እየ። ሰላም ኣለኹ። እቲ ዝገርመኪ ጨጓራይ እኳ ኣሕሚሙኒ ኣይፈልጥን። መልእኽትኺ ምስ በፅሓኒ ገጸይ ከመይ ብርህ ከምዝብልን ነፍሲ ወከፍ መልእኽትኺ ከመይ ከም ዘስተማቕሮን ምናልባት እዚ እዋን ምስሓለፈ ክነዕልሎ ንኸውን ኢና። እንታይ ከም ዘሐጉሰኒ ትፈልጥ ዲኻ? ኩሉ ቃልትኪ እዩ ዝገርመኒ። ነፍሲ ወከፍ ዘረባኺ ኣልዒለ ንኣዕሩኽተይ ክጀሃረሎም እየ ዝውዕል። ምእንታኺ ዝነብር፡ ኣፍቅሪኺ እየ ክንራኸብ ኢና! ሓደራ ኣይትጨነቑ። ዝደለኽዮ ሕተትኒ። ኩሉ ክኾነልኪ እየ። Love you","category":"መራኸቢ ብዙሓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cq54px9r539o"} {"headline":"ብጾታዊ መጥቃዕቲ ዝኽሰስ ፍሉጥ ጋዜጠኛ ኣልጀዚራ","content":"ከማል ሳንታማርያ፡ ፍሉጥ ኣቕራቢ ዜና ተሌቪዥን’ዩ። እዚ ህቡብ ጋዜጠኛ ኣብ ኣልጀዚያ ን16 ዓመታት ዘገልገለ ኰይኑ፡ ኣብ ላዕለዋይ በዓል መዚ ኒውዚላንድ ቲቪኤንዘድ ሓድሽ ስራሕ ጀሚሩ ነይሩ። ኣብዚ ትካል፡ ን32 መዓልታት ጥራይ ድሕሪ ምስራሕ፡ ስርሑ ከም ዝገደፎ ብወግዒ ኣፍሊጡ። ኣብ ክፍሊ ዜና ዘርእዮም ዝነበሩ ዘይግቡእ ባህርያት ዘስዓቦ ክስታት ምኽንያት ከም ዝዀኑ ይግለጽ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣብቲ ን16 ዓመታት ዝሰርሓሉ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ዝነበራ መሳርሕቱ ጾታዊ መጥቃዕቲ ይፍጽመልና ነይሩ’ዩ ዝብሉ ክስታት ከስምዓ ጀሚረን። ቢቢሲ ምስ ሓያሎ ናይ ሕጅን ቅድምን ሰራሕተኛታት እቲ ትካል፡ ቃለ መጠይቕ ብምክያድ፡ ሰነዳዊ መረዳእታታት ዘይእዱባት መልእኽታትን ጥርዓን ሰራሕተኛታትን መሰረት ገይሩ ብዘካየዶ መርመራ፡ ኣብ ልዕሊ ሳንታማርያ ኣብ ክፍሊ ዜና ደውሓ ዘነጻጸሩ ሓያሎ ክስታት ጾታዊ ምትንኻፋት ረኺቡ። ገሊኦም ወሃብቲ ርእይቶ፡ ንሱ ጥራይ ከም ዘይነበረ ይዛረቡ። ብተወሳኺ፡ እቲ ኩባንያ ጽቡቕ ባህሊ ስራሕ ከም ዘይብሉ ብምግላጽ፡ ብዓቢኡ ጥርዓናት ምግፋዕ፡ ጾታዊ ኣፈላላይ፡ መድሃልትን ዓሌታውነትን ፍታሕ ከም ዘይረኽቡ ይገልጹ። እቶም ቃሎም ንቢቢሲ ዝሃቡ ሰራሕተኛታት፡ ስርሖም ከይጽሎ ስለ ዝሰግኡ ስሞም ከይጥቀስ ስለ ዝሓተቱ፡ መንነቶም ክዕቀብን ኣስማቶም ክቕየርን ተገይሩ ኣሎ። ሳንታማርያ ንቢቢሲ ብቐጥታ መልሲ'ኳ እንተዘይሃበ፡ ንዕኡ ዝምልከት ጥቕሉል መግለጺ ግን ኣውጺኡ ኣሎ። “ገሊኦም ዝበሃሉ ዘለው ክስታት ሓቅነት ኣለዎም፤ ገሊኦም ግን ካብ ዓውዲ ወጻኢ ዝተወስዱ’ዮም” ይብል። ወሲኹ፡ ዘርኣኽዎም “ባርህያት ንሰባት ምቹእነት ዝኸልኡ እንተነይሮም ይቕሬታ እሓትት፡” ኢሉ። ቢቢሲ፡ ካብ ኣልጀዚራ መልሲ ንምርካብ ዝርዝር 22 ክስታት እኳ እንተለኣኸ፡ እቲ መደበር ዜና ግን ንነፍሲ ወከፍ ክስታት መብርሂ ኣይሃበን። ኣክንድኡ፡ \"ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰራሕተኛታቱ ዓንዲ ሕቘን መሰረትን ናይቲ ኩባንያ” ገይሩ ከም ዝቘጽሮም ብምግላጽ፡ “ንድሕነቶምን ጽቡቕ ህይወቶምን ልዑል ተገዳስነት ይህብ” ኢሉ። ወሲኹ፡ “ልዕሊ 95 ዜግነት ዘለዎ ሰራሕተኛታት ዘለዎ ዓለምለኻዊ ትካል ከም ምዃኑ መጠን፡ ንኹሉ ጥዑይን ሃናጽን ናይ ስራሕ ሃዋህው ንምህናጽ” ብቐጻሊ ጻዕሪ ከም ዝገብር ሓቢሩ። እታ ብሃብቲ ነዳዲ ዝበልጸገት ንኡሽቶ ሃገር ቀጠር፡ ብብዙሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ማዕርነት ጾታን ትኽሰስ። ኣብቲ ትካል ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ዝበጽሖም በደላት ኣብታ ሃገር ክዛረቡ ከም ዝሰግኡ ይገልጹ። ኣብ ተሌቪዥን ኒውዚላንድ ሪፖርተር ዝነበረ ሳንታማርያ፡ ብ2005’ዩ ኣቕራቢ ዜና ቋንቋ እንግሊዘኛ ኰይኑ ኣብ ኣልጀዚራ ተቘጺሩ። ኣብ ስርሑ ቀልጢፉ ዕብየት ዘርኣየ ኰይኑ፡ ንፕረዚደንታዊ መረጻ ኣሜሪካ 2020ን ካልኦት ዓበይቲ መደባትን ብቐጥታ ከቕርብ በቒዑ። መሳርሕቱ፡ ተዋዛዪ፡ ብቐሊሉ ምስ ሰባት ዝተኣታቶን ንፉዕ በዓል ሞያ ተሌቪዥንን ከም ዝዀነ ይምስክሩ። ንሱ ኣብ ኣልጀዚራ ምስ ተቘጽረ፡ ቶሪ መንእሰይ ፕሮዲዩሰር ተሌቪዥን ነይራ። “ገለ ነገራት ንግበር እምበር . . . ኣብ ዕረፍትኺ ኸ ናብ ገዛኺ ኣይትጽውዕንን ዲኺ” ዝብሉ መልእኽታት ብትዊተር ይሰደላ ከም ዝነበረ ትዛረብ። ቢቢሲ፡ እቶም ብትዊተር፡ ዋትስኣፕን ኢመይልን ዝሰዶም ዝነበረ ዘይእዱባት መልእኽታት ርእዩ እዩ። “ድሕሪኡ፡ ኣብ ቦታ ስራሕምትንኻፍ ጀሚሩ። ኢዱ ኣብ መንኰበይ ምግባር፡ ባህ ዘይብል ምሕቛፍ፡ እቲ ዝኸፍአ ድማ ኣብ ገጽ ምስዓም ጀሚሩ። ሓደ ግዜ፡ ኣብ ገጸይ ዝዓለበ ምራቝ ክጸርግ ናብ ሽቓቕ ከይደ’የ” ትብል ቶሪ። ቶሪ፡ እዚ ምስ ኣብ ማእከላይ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝነበረ ሰብ ከም ዝተዘራረበትሉ ሓቢራ፤ ክልቲኦም ክኣ፡ እቲ ዝርርብ ከም ዝተኻየደ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም። \"ኣብ ዕቱብ ክፍሊ ዜና ዝሰርሕ ሞያዊ ሰብ፡ ናብ መሳርሕቱ፡ ብዛዕባ ቁመናኣ ኰነ 'ጡባ' ወይ ‘ኣዕሩኽ’ ኢና ኢሉ እንተሓሰበ’ውን ንምትሕቝቛፍ ክዕድም ከም ዘይብሉ ብተደጋጋሚ ክንገሮ የብሉን” ትብል ትሮይ። ሳንታማርያ፡ ብዛዕባ ኣጥቧታ እተን ሓቢረናኦ ዜና ዘቕርባ ደቂ ኣንስትዮ ርእይቶ ከይሃበ ከም ዘይውዕል ንቢቢሲ ርእይቶኦም ዝሃቡ ሰባት ይገልጹ። ሓያሎ ናይ ሕጂን ነባር ሰራሕተኛታት እቲ ትካል፡ ባህርያት ሳንታማርያ ካብ ሓደ ኣጋጣሚ ንላዕሊ ዝተዓዘብዎ ምስክርነት ሂቦም። ኣብዚ እዋን ኣብ ኣልጀዚራ ዝሰርሕ ዘሎ ወዲ ተባዕታይ ሰራሕተኛ፡ ሳንታማርያ ኣብ ከንፈሩ ከም ዝሰዓሞ ገሊጹ። እዚ ኤዲተር ዜና ዝዀነ ሰብ [ሕጂ ላዕለዋይ ሓላፊ] ከም ዝረኣዮ ይዛረብ። ካልእ፡ ፕሮድዩሰር ሳንታማርያ ኣብ ስራሕ - ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ሰባት - ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ኣብ ክሳዳ ከም ዝሰዓማ ገሊጻ። “ኣዝዩ ሕፍረትን ሕርቃንን ተሰሚዑኒ፤ ሰባት ምስኡ ዝዀነ ነገር ዝጀመርኩ ክመስሎም እዩ ኢለ ስክፍታ ተሰሚዑኒ። ጋሻ ስለ ዝነበርኩ፡ ብዛዕባኡ ዘዛርቦ ዝፈልጦ ናይ ምምሕዳር ሰብ ኣይነበርን፡” ትብል። ብዙሓት ካብኣቶም ንባህርያት ሳንታማርያ ድፍረት ዝመልኦ’ዩ እኳ እንተበሉ፡ ንርእሶም፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ገና ጀመርቲ ሰራሕተኛታት ገይሮም ብምሕሳብ ንዕኡ ኰኾብ ሚድያ ገይሮም ይርእዩዎ ስለ ዝነበሩ፡ ብዛዕባ እቲ ዝበጽሖም ዝነበረ ጾታዊ መጥቃዕቲ ሪፖርት ከም ዘይገብሩ ሓቢሮም። ንኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ኣልጀዚራ ፍሪላንሰር ዝነበረት ፊዮና፡ ሳንታማርያ ኣብ ክፍሊ ዜና ክሓቝፋ፡ ጾታዊ ርእይቶታት ክህባን ዘይግቡእ ጽሑፋት ክሰድድን ከም ዝፈተነ ገሊጻ። ብወግዒ ጥርዓን’ኳ እንተዘይኣቕረበት፡ ናብ ሓደ ማእከላይ ደረጃ ሓላፍነት ዘለዎ ሰብ ግን ሪፖርት ከም ዝገበረት ትዛረብ። ንሱ ግን \"ዎ! እቲ ትንኮያ ሕጂ’ውን ቀጺሉ ድዩ? መቸስ ሕጂ ደው ኣቢሉ’ዩ” ጥራይ ከም ዝበላ ሓቢራ። ድሕሪኡ፡ ናብ ምምሕዳር ዓቕሚ ሰብ ከተመልክት ደልያ፡ ንስኺ ናይ ሓጺር ግዜ ኮንትራት ስለ ዘለኪ ከምኡ ክትገብሪ ኣይትኽእልን ከም ዝተባህለት ገሊጻ። መብዛሕትኦም ጾታዊ ትንኰያታት ዝወረዶም መሳርሕቲ ሳንታማርያ፡ ስርሖም ከይስእኑ ብዝብል ስግኣት ንሓለፍቶም ካብ ምዝራብ ይቝጠቡ ከም ዝነበሩ ይገልጹ። ኣብ ውሽጢ ኣልጀዚራ ግልጽነትን ተሓታትነት ዘለዎ ኣሰራርሓ ስለ ዘየሎ ድማ ከም ዝሰግኡ ሓቢሮም። እዚ ግን፡ ኣብ መደበር ዜና ኒውዚላንድ ተቐባልነት ኣይነበሮን። ኣብቲ ንሓደ ወርሒ ዝሰርሐሉ መደበር ተሌቪዥን ክሲ ጾታዊ ትንኰያ ምስ ቀረበሉ፡ እቲ ዝቘጸሮ ሰብ ንርእሱ ካብ ስራሕ ተሰጒጉ። ኣብ ውሽጢ ኣልጀዚራ ዘሎ ጾታዊ ትንኰያ፡ ልዕሊ ጉዳይ ሳንታማርያ ከም ዝዀነ እትዛረብ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ካልእ ሓለቓኣ በዓልቲ ቤቱ ኣብ ዘይትህልወሉ ግዜ ናብ ገዛኡ ክትመጽእ ከም ዝጸውዓ ተዛሪባ። ካልእ ወሃቢት ርእይቶ ድማ፡ ሓለቓኣ ‘ኣብ እዋን ረመዳን ጾታዊ ርክብ ንፈጽም ይብለኒ . . .’ ነይሩ ትብል። እንተዀነ ስርሐይ ከይስእን ኢላ ብምስጋእ ሪፖርት ኣይገበረትን። እዚ፡ ኣብ ደውሓ ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኣልጀዚራ’ውን ዝፍጸም ምዃኑ ቢቢሲ ዝረኸቦ መረዳእታ የመልክት። ይዅን’ምበር፡ ኣብ ደውሓ ዝያዳ ጾታዊ ትንኰያን ዓሌታውነትን ከም ዝንጸባረቕ ሰራሕተኛታት ገሊጾም። ጥርዓን ንምቕራብ ዝፈርሕሉ ምኽንያት ክዛረቡ እንከለው ድማ፡ ኣብ ደውሓ ብዙሓት ነገራት ምስ ኮንትራት ስራሕ ዝተኣሳሰሩ ምኽንያታት ከም ዝዀኑ የረድኡ። ካብ ስራሕ እንተተሰጒግካካ፡ መንበሪ ፍቓድ ትስእን፣ መድሕን ትምህርቲ ደቅኻ፣ መንበሪ ገዛን ጥዕናን ትስእን። ስለዚ፡ ሰባት እቲ ዝወርዶም ጾታዊ መጥቃዕቲ ሪፖርት ምግባር ይፈርሑ። ኣልጀዚራ፡ ናጻን ዘይሻራውን ሚድያ ከም ዝዀነ’ዩ ዝገልጽ። እንተዀነ ምንጪ ገንዘብ እቲ ትካል ካብ ኣሚር ቐጠር ዝመጽእ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ጉዳይ ቐጠር ጋዜጠኛታት ዝደለይዎ ክጽብጽቡ ኣይክእሉን። ሕጊ እታ ሃገር’ውን ናይ ምዝራብ ናጽነት ኣይፈቅድን። ኣልጀዚራ፡ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ “ጾታዊ ትንኰያ ዝምልከት ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታቱ ዝቐረቡ ክስታት ብቐሊሉ ከም ዘይርእዮም” ብምግላጽ እቲ ጉዳይ ከም ዝምርምሮ ኣብሪሁ። ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ከም ዝብሉዎ ግን፡ ‘ገለ ሰራሕተኛታት ልዕሊ ሕጊ’ዮም።'","category":"መራኸቢ ብዙሓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ce9448jz802o"} {"headline":"ንጉስ ዓለም' ክኸውን ዝምነ ዝነበረ ቦሪስ ጆንሰን ድሕሪ ሕጂ እንታይ እዩ ክሰርሕ?","content":"ዓቃባዊ ሰልፊ ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታት እቲ ዝለዓለ ዓወት መረጻ ድሕሪ ምርካቡ ንሰለስተ ዓመታት ክመርሕ ዝጸንሐ ቦሪስ ጆንሰን ካብ ስልጣኑ ይወርድ ኣሎ። ኣብ እዋን ቍልዕነቱ፡ “ንጉስ ዓለም” ክኸውን ዝሓልም ዝነበረ ሰብኣይ፡ ሕጂ እንታይ ከም ዝሰርሕ የሰላስል ኣሎ። ጸሓፊ ታሪኽ ህይወቱ ዝዀነ ኣንድሪው ጊምሰን፡ “ሃገረሰብ ከይዱ፡ ንቤተክርስትያን እቲ ከባቢ ዝዀነ ስርሓት ዘካይድን ካብ ነቐፌታ ወጻኢ ዝዀነ ህይወት” ዝመርሕን ዓይነት ሰብ ኣይኰነን፡ ይብል። ስለዚ፡ ኣብ ቀጻሊ እንታይ ክገብር ይኽእል? ቦሪስ ጆንሰን፡ ናብ ፖለቲካ ቅድሚ ምእታው፡ ልዑል ደሞዝ ዝነበሮ ሞያዊ ጋዜጠኛ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ፡ ንዝተፈላለዩ ጋዜጣታትን መጽሄታትን ይጽሕፍ'ኳ እንተነበረ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቅድሚ ምዃኑ ነዚ ጠንጢኑ ናብ ወስት ሚኒስተር መጺኡ። ሰሙናዊ፡ ንዓምዲ ደይሊ ቴሌግራፍ ብምጽሓፍ ኣብ ዓመት 275 ሽሕ ፓውንድ ይኽፈሎ ነይሩ። ዝተፈላለያ ትካላት ጽሕፈት፡ ጆንሰን ኣብ ስልጣን እናሃለወ መጽሓፍ እንተዝጽሕፍ ነይሩ “ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ፓውንድ” ምተኸፍሎ ነይሩ ብምባል ገምጋመን የቐምጣ። ጆንሰን፡ ክሳብ ሕጂ ሸሞንተ መጽሓፍቲ ጽሒፉ ኣሎ [ኣብ ዓምዲታት ዝጽሓፎም ሓዊስካ]። ካብዚኦም፡ ታሪኽ ህይወት ናይቲ ጀግናይ ዝብሎ ዊንስተን ቸርችል፡ ከምኡ’ውን ‘ሰቨንቲ ቱ ቨርጅንስ’ ዝተሰምያ መጽሓፍቲ ይጥቀሳ። ካብ ስልጣን ድሕሪ ምውራዱ ግን፡ ናይ መጀመርታ ዘውጽኦ መጽሓፍ ታሪኽ ዊልያም ሼክስፒር ክኸውን እዩ። እዚ መጽሓፍ፡ ንዝሓለፉ ዓመታት ብጅምር ግድፍ ክጽሕፎ ዝጸንሐ እዩ። እዚ \"Shakespeare: The Riddle of Genius\" ዝተሰምየ መጽሓፍ፡ ብ2016 ክሕተም መደብ ወጺኡሉ ነይሩ። ግን ክኣ፡ ኣብ ጉዳይ ብረክዚት ተዓዊቱ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ጸኒሑ ክኣ ቀዳማይ ሚኒስተር ስለ ዝዀነ፡ ጆንሰን ንዝጽሕፈሎም ሰዓታት ተሻምዮምዎ። ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ዝወጽእ ካልኣይ ክፋል ታሪኽ ህይወት ጆንሰን ዝጽሓፈ ጊምሰን፡ “ሼክስፒር፡ ብዛዕባ ስልጣንን ዓሚጽካ ንጉስ ምቕታልን እዩ” ይብል። “ሕጂ፡ ናይ ባዕሉ ሰልፊ ኣንጻሩ ክኸውን እዩ፤ መጽሓፉ ንምውዳእ ድማ ውዱእ ዝዀነ ነገር ኣለዎ” ኢሉ። ከም ሓደ ነባር ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ህዝባዊ መደረታት ብምግባር ብዙሕ ገንዘብ ክረክብ ይኽእል'ዩ። ቀዳመይቲ ሚኒስተር ነበር ተሬሳ መይ፡ ኣብ 2022 ጥራይ ትሸዓተ ምደረታት ብምቕራብ 715 ሽሕ ፓውንድ ረኺባ እያ። ጆንሰን፡ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምጽኡ፡ ዘለዎ ክእለት ምውዛይ ድሕሪ እንግዶት ድራር ኣብ ዝህልው ምድላዋት ተበሃጊ ክኸውን ኣኽኢልዎ ነይሩ። ካብኡ ንላዕሊ ክገብር ይኽእል እዩ። ኣብ መጋቢት 2019፡ ክልተ መደረታት ጥራይ ብምስማዕ [ሓደኡ፡ ንባንክ እቲ ካልእ ድማ ንሓደ ጕጅለ ሚዲያ ህንዲ] ልዕሊ 160 ሽሕ ፓውንድ ተኸፊሉ ነይሩ። ንነዊሕ እዋን ኣማኻሪ ጆንሰን ዝነበረ ሎርድ-ላይስተር፡ “ብዘይጥርጥር ብዙሕ ክጽሕፍን መደረታት ክገብርን እዩ” ይብል። ንሱ፡ ጆንሰን ከንቲባ ለንደን ካብ ዝነበረሉ ኣትሒዙ ኣማኻሪኡ ዝነበረ ኰይኑ፡ እቲ ናይ ቀደም ሓለቓኡ ካብ ስልጣን ምስ ወረደ፡ “ንልቡ ቀረባ ብዛዕባ ዝዀኑ ነገራት ክዛረብ እዩ” ኢሉ። ኣብ ኲን ሜሪ ዩኒቨርሲቲ ለንደን፡ ፕሮፌሰር ፖለቲካ ቲም ባሌ ብወገኑ፡ “ብዅሉ መዐቀኒታት፡ ቦሪስ ጀንሰን ምስ መሓዙቱ ክወዳደር እንከሎ፡ ፈታዊ ገንዘብ እዩ። ነዚ ድማ ኵሉ ነገር ክገብር ይኽእል እዩ” ይብል። ቦሪስ ጆንሰን፡ ኣባል ባይቶ ኰይኑ ክቕጽል ድዩ ዝብሉ ብዙሓት ግምታት ኣለዉ። በቲ ዝመጽእ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኣ፡ ናይ ካቢነ ስራሕ ክወሃቦ’ዩ ዝብል ተኽእሎ ዳርጋ የለን። ሕጂ፡ ካብ ስልጣኑ ክወርድ እንከሎ ንኽልተ ዓመት ብቐጥታ ስራሕ መንግስቲ ንኸይሰርሕ ንኽልተ ዓመት ክእገድ እዩ። ሎርድ ላይስተር ግን “ቀልጢፉ ካብ ፓርላማ ዝወጽእ ኣይመስለንን። ኣብኡ፡ ብድሕሪት ኰይኑ ኣእማን ክድርቢ’ዩ ኢለ ኣይሓስብን” ይብል። ቦሪስ ጆንሰን፡ ንቐዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝቐርቡ ሕቶታት ንመወዳእታ ግዜ ተረኺቡ፡ \"hasta la vista, baby\" [ቻው፤ ክምለስ እየ] ኢሉ ቅድሚ ምስንባቱ፡ “ንሕጂ፡ ዝለዓለ ልኡኽ ተዓዊቱ’ዩ”  ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። እማን ግን፡ ኣብ ዝቕጽል መረጻ እቲ ዝትክኦ ሰብ እንተዘይተዓዊቱ ናብ ፖለቲካ ክምለስ ድዩ? ታሪኽ ዓቃባዊ ሰልፊ ዝጸሓፈ ፕሮፌሰር ባሌ፡ “ናብ ቦሪስ ጆንሰን እንተተመሊሶም [እቲ ሰልፊ] መጻኢ እቲ ሰልፊ ከጨንቐኒ’ዩ” ይብል። ከቋርጽ ዘይደልዮ ናይ ነዊሕ እዋን መላፍንቲ ጆንሰን ጃኮብ ሪስ-ሞግ፡ ድሕሪ ዊልያም ግላድስቶን ተመሊሱ ናብ መሪሕነት ዝመጽአ የለን ይብል። ጊምሰን ግን፡ ታሪኻዊ ንጽጽር ኣገዳሲ ኣይኰነን ኢሉ። “ዝገበሮ ብዘየድስ፡ ኣምልኾ ቦሪስ ክህሉ’ዩ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ክልተ ሰለስተ ሻብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኖም’ዮም።” ቦሪስ፡ ድሕሪ ሕጂ ዝሰርሐ እንተሰርሐ፡ ዓመታዊ ወጻኢታቱ ክሽፈነሉ እዩ። ኵሎም ቀዳሞት ሚኒስተራት ነበር፡ ንቤት ጽሕፈትን መካየዲ ስራሕን ኣብ ዓመት 115 ሽሕ ፓውንድ ይወሃቦም’ዩ። ጆንሰን፡ ንነዊሕ ግዜ ልሙዳት ሕግታት ፖለቲካ እናጠሓሰ ዝመጽአ ሰብ ስለ ዝዀነ፡ እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዝተኸተሉዎ መገዲ ክስዕብ’ዩ ኢልካ ምእማን ከቢድ እዩ። “እዚ ወይ ክኣ እዚ - ዝብል ዓይነት ሰብ ኰይኑ ኣይፈልጥን። እኳ ደኣ፡ ምቍር ሕብስትኻ- ሒዝካ- ብልዓዮ- ዝዓይነቱ ሰብ እዩ ነይሩ። ዝዀነ ዝገብሮ ነገር ስራሕ ዝበዝሖ እዩ ዝመስለኒ፤ ስቕ ክብል ኣይክእልን” ይብል ጊምሰን። ፕሮፌሰር ባሌ ብወገኑ፡ “ፖለቲካዊ ጐስጓስ፡ ናብ ስልጣን ምምላስን ገንዘብ ምርካብን ኵሎም ጐድኒ ጐድኒ ከኺዶም ይኽእል እዩ፡” ኢሉ።","category":"መራኸቢ ብዙሓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cgl00j2n185o"} {"headline":"ክትልሀ ዝተራእየት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ትንቀፍ","content":"ኣብ ሓደ ልሒዅ ዝወጽአ ቪድዮ ክትልሀ ዝተራእየት ቀዳማይቲ ሚኒስተር ፊንላንድ ሳና ማሪን ሓያል ነቐፌታ ገጢሙዋ። ኣብቲ ካብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተረኽበ ቪድዮ፡ እታ መራሒት መንግስቲ ምስ ህቡባት ፊንላንዳውያን ዝርከብዎም መሓዙታ ክትስዕስዕን ክትደርፍን ትረአ። ብሓርነት ክትቆጻጸ ምርኣዮም ባህ ዘይበሎም ተቓወምቲ ሰልፍታት ዕጸ-ፋርስ ወሲዳ ነይራ ከይትኸውን መርመራ ክትገብር ኣለዋ ክብሉ ይነቕፉ ኣለዉ። ጓል 36 ዓመት ዝኾነት መንእሰይ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ግን፡ ዝወሰደቶ ዕጸ-ፋርስ ከም ዘየለ ብምግላጽ፡ ኣልኮላዊ መስተ ሰትያ \" ኣብ ውዕዉዕ ትልሂት\" ከም ዝነበረት ተዛሪባ። ጓል 34 ዓመት እንከላ ስልጣን ዝተረከበት ማሪን ፡ ኣብ ዓለም እታ ብዕድመ ዝነኣሰት መራሒት ሃገር'ያ ነይራ። ኣብዚ እዋን'ዚ ፕረዚደንት ቺለ ጋብሪኤል ቦሪክ እቲ ዝነኣሰ መራሒ ምዃኑ ይግለጽ። እታ ናብ ትልሂታት ከም እትኸይድ እትእመን ሳና ማሪን፡ ብዙሕ ግዜ ኣብ ፈስቲቫላት ሙዚቃ ክትሳተፍ ትርአ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ምስ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባት ተራኺባ እንከላ፡ ናብ ለይታዊ ትልሂት ብምኻዳ ይቕሬታ ክትሓትት ተገዲዳ ነይራ። ብሓሙስ ብዛዕባ'ዚ ሓድሽ ቪድዮ ኣብ ዝሃበቶ ግብረመልሲ፡ ትቕዳሕ ምንባራ'ኳ ትፈልጥ እንተነበረት ናብ ህዝቢ ምልሓዂ ከም ዘሕረቓ ተዛሪባ። \"ሳዕሲዐ፡ ደሪፈን ተዘናጊዐን- ፍጹም ሕጋዊ ነገር'ዩ። ኣብ ዕጸ-ፋርስ ዝራኣኹሉ ይኹን ሰባት ዝተጠቕምሉ ኩነታት ተረኺበ ግን ኣይፈልጥን\" ብምባል ነቲ ዝቐረበላ ክስታት ነጺጋ። ይኹን'ምበር፡ መራሒት ተቓዋሚ ሰልፊ ሪካ ፑራ፡ ኣብ ልዕሊኣ \"ጥርጣረ ኣንጸላልዩ\" ስለ ዘሎ ማሪን ብፍቓዳ ናይ ዕጸ-ፋርስ (ዘደንዝዝ ዕጽ) መርመራ ክትገብር ጸዊዓ'ላ። ካልኦት ተቓወምቲ ሰልፍታት'ውን፡ እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተርን ማዕከናት ዜና እታ ሃገርን፡ ብዛዕባ ካልኦት ኣገደስቲ ጸገማት ኣብ ክንዲ ዝዛረቡ ኣብ ትልሂትን ምዝንጋዕን ምትኳሮም ነቒፎም። ሳና ማሪን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ \"ስድራቤታዊ ህይወት ኣለኒ፡ ናይ ስራሕ ሂወት ኣለኒ፡ ምስ መሓዙተይ ዘሕልፈሉ ናይ ምዝንጋዕ ግዜ'ውን ኣለኒ። ከም ኩሉ ኣብ ክሊ ዕድመይ ዝርከብ ሰብ'ዩ\" ክትብል ርእሳ ተኸላኺላ። ውልቃዊ ጠባያታ ክትቅይር ኣገዳሲ ከም ዘይኮነ እትምጉት እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር፡ \"ከምታ ዝጸናሕክዋ ኰይነ ክቕጽል'የ፤ ተስፋ እገብር እዚ ተቐባልነት ክረክብ\" ኢላ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓደ ብልድ ዝተባህለ ፍሉጥ ጀርመናዊ ጋዜጣ \"ኣብ ዓለም እታ ዝሓረፈት ቀዳመይቲ ሚኒስተር\" ክብል ገሊጹዋ ነይሩ። ማዕከናት ዜና ፊንላንድ፡ ነቲ ህዝባዊ ኣገዳስነት ዘለዎ'ዩ ዝበልዎ ዝላሓዄ ቪድዮ መሰረት ብምግባር ነቲ ጉዳይ ሰፊሕ ሸፈነ ሂቦሞ ኣለዉ። ሳና ማሪን ኣብ ታሕሳስ 2019 ናብቲ ዘላቶ ስልጣን ዝደየበት ኰይና፡ ሓያል ደገፍ ናይቲ ንሳ ትመርሖ ሰልፊ ዘለዋ'ያ። \"እቲ ዝተራእየ ግብረ መልሲ፡ ከምቲ ንኹሉ ነገራት ማሪን ዝወሃብ ንቡር ኣቓልቦ'ዩ- ዝተመቓቐለ\" ክብል ፊንላንዳዊ ጋዜጠኛ ፖለቲካን ተንታኒን ሮበርት ሳንድማን ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ኣብ ዕድሚኣ ዘላ ጓል ክትዘናጋዕ ልሙድ'ዩ ዝብሉ ሰባት ክህልዉ እንከለዉ፡ ዝሰንበዱ'ውን ኣለዉ። \"ክሳብ ሕጂ ዝተረጋገጸ ሓደ ነገር እንተሃልዩ ግን፡ ቅድሚ ሕጂ ዝወጽአ ስእልታት፡ ክሳብ ክንድ'ዚ ናታ ይኹን ናይ ሰልፋ ህቡብነት ዝጸለወ ኣይነበረን\"። ሳንድማን ከም ዝብሎ፡ ብዛዕባ ምስ ህቡባት ፊንላዳውያን ዘለዋ ርክብ ብዙሕ ኣቓልቦ ዝሰሓበ ኮይኑ፡ ካብቶም ቅድሚኣ ዝነበሩ ቀዳሞት ሚኒስተራት ፍልይ ዝበለ'ዩ።","category":"መራኸቢ ብዙሓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c97yve8q8nvo"} {"headline":"መበል 100 ዓመት ቢቢሲን 10 ተዘክሮታትን","content":"ኮርፖሬሽን ፈነወ ብሪጣንያ (ቢቢሲ) መበል 100 ዓመቱ ይጽምብል ኣሎ። እቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ዓለም ዝዓበየ ኮርፖሬሽን ፈነወ 18 ጥቅምቲ 1922 እዩ ብወግዒ ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ተተኺሉ። ኣብ ዝሓለፈ 100 ዓመታት ከኣ ዝተፈላለየ መሳጢ መድረኻት ኣሕሊፉ እዩ። እቶም ፍልይ ዝበሉ ፍጻመታትን ኣብ ቢቢሲ ፍሉይ ተራ ዝነበሮም ሰባትን ክንነግረኩም። ቢቢሲ፡ ብርክት ዝበሉ ኣማተር መደበራት ድሕሪ ምዕጻዎም፡ ፈላሚ መዓልታዊ ናይ ራድዮ ኣገልግሎቱ 14 ሕዳር 1922 እዩ ካብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ጀሚሩ። እቲ ናይ ፈለማ ፈነወ ሰዓት 6፡00 ድቀ ክግበር እንከሎ፡ ዜናዊ ጸብጻብ ኮይኑ፡ ንዕኡ ስዒቡ ካብ ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ብሪጣንያ ዝተረኽበ ትንቢት ኩነታት ኣየር እዩ ቀሪቡ። ኣርተር በሮውስ ነቲ ጸብጻብ ክልተ ጊዜ ከንብቦ እንከሎ፡ ኣብቲ ካልኣይ እዋን፡ ሓበሬታ ክጽሕፉ ንዝደልዩ ሰማዕቲ ዕድል ንምሃብ፡ ህድእ ኢሉ እዩ ኣንቢብዎ። ንጉስ ጆርጅ ሓምሻይ ብ19 ታሕሳስ 1932፡ ፈላሚ ናይ በዓል ልደት መልእኽቲ ንብሪጣንያን ንገለ ክፋል ዓለምን ኣመሓላሊፉ። እቲ ብሓጺር ማዕበል ዝተመሓለለፈ ፈነወ፡ ብቐንዱ ኣብ ንግስነት ብሪጣንያ ንዝርከቡ ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝ ዝዓለመ ኔሩ። ንሱ ኣብ መደረኡ “ሰብኡትን ኣንስትን፡ ብውርጪ፡ ብምድረበዳ፡ ወይ ብባሕሪ ተፈላልዮም ኣለው፤ ብኣየር ዝመሓላለፍ ድምጺ ጥራሕ’ዩ ክበጽሖም ዝኽእል” ኢሉ። እዚ መደረ ነቲ ሎሚ ‘ቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስ’ ተባሂሉ ዘሎ ኣገልግሎት ሃጸያዊ ኣገልግሎት ቢቢሲ ዘበገሰ ነበረ። ቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስ፡ ሎሚ፡ ብስፍሓት ሸፈነ፡ ቋንቋታትን ብዝሒ ተኸታተልትን ዝዓበየ ትካል ትካል ፈነወ እዩ። ብኢንተርነት፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ቴለቪዥንን ራድዮን፡ ብልዕሊ 40 ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዓለም ይፍኑ። ኣብ 1930ታት፡ ዋጋ ማይክሮፎናት ክቡር ብምንባሩ፡ ቢቢሲ ምስ ትካል ማርኮኒ ብምስምማዕ ናይ ባዕሉ ሓድሽ ማይክሮፎን ኣማዕቢሉ። እቲ ፍርያት ምስ ግዜ እናተመሓየሸን እናማዕበለን ክኸይድ እንከሎ፡ ኣብ ተኸታታሊ ድራማታትን ፊልምታትን ይርአ ብምንባሩ፡ ከም ናይ ቢቢሲ ማይክሮፎን ክፍለጥ ክኢሉ እዩ። ኣብ 1938 ዝጀመረ ፈነወ ቢቢሲ ዓረብኛ፡ ፈላሚ ኣገልግሎት ቋንቋታት እቲ ኮርፖሬሽን ኮይኑ። ኣላላዪ መደባት ኣሕመድ ከማል ካብ ራድዮ ግብጺ ክቑጸር እንከሎ፡ ኣዝዩ ህቡብ ብምንባሩ፡ እቲ ፈነወ ኣብ ሃገራት ዓረብ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣዝዩ ፍሉጥ ኮነ። ኣብ ዝሰዓቡ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዓለም ዝመሓላለፉ መደባት ራድዮን ቴለቪሽንን ተኣታተው። ብኢንተርነት ዝመሓላለፍ ቢቢሲ ኦንላይን፡ ኣብ 1997 እዩ ጀሚሩ። ምትእትታው ማሕበራዊ መራኸቢታት ስዒቡ እቲ ንብሪጣንያ ኣተኲሩ ዝሰርሕ ቢቢሲ ኒውስን ንዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዓለም ዘጠቓልል ቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስን ተፈላለዩ። ሎሚ ቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስ ቀዳምነቱ ንጂጂታዊ ትሕዝቶ ናብ ምግባር ገጹ ይኸይድ ኣሎ። ኡና ማርሰን ኣብ ፈላሚት ጸላም ጓል ኣንስተይቲ ኣዳላዊት መደባት ቢቢሲ ብምዃን ታሪኽ ሰሪሓ። ትውልደ ጃማይካዊት ኡና ኣብ 1939 ናብ ቢቢሲ ክትጽምበር ከላ፡ ምኩርቲ ጋዜጠኛ እያ ኔራ። ንሳ ፈለማ ተሓጋጋዚት ኮይና እያ ጀሚራ ኣብ 1941 ግና ናይ ምሉእ ግዜ ሰራሕተኛ ኮነት። 1 ግንቦት 1945 ቢቢሲ፡ መራሒ ጀርመን ኣዶልፍ ሂትለር ርእሰ ቅትለት ከምዝፈጸመ ኣቃልሐት። ንጽባሒቱ ምሸት ሰዓት 7፡00 ኣብ ኢጣልያ ዝነበሩ ወተሃደራት ጀርመን ኢዶም ከምዝሃቡ ተገሊጹ። 4 ግንቦት ኣብ ዴንማርክ ኢዶም ምስ ሃቡ፡ እቲ ኲናት ምብቅዑ ኣመላኸተ። እንተኾነ ግና ንዝተወሰነ መዓልትታት ወላ ሓደ’ውን ርግጸኛ ኣይነበረን። 7 ግንቦት ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ከባቢ ቤተመንግስቲ ባኪንግሃም እከዕ እንተተኣከቡ እታ ሃገር ንሓሙሽተ ዓመታት ዝተጸበየቶ ዜና ኣይተነገረን ነበረ። ምሸት ግና፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ዊንስተን ቸርቺል እቲ ዝቕጽል መዓልቲ፡ ዕለት ዓወት ኣውሮጳ ምዃኑ ብቢቢሲ ተዛረበ። ኣብ 1967 'ዓለምና' (\"'Our World') ዝተሰመየ መደብ ተለቪዢን ቢቢሲ ታሪኽ ሰርሐ። ቅድሚኡ፡ ብሳተላይት ዝፍኖ ፈነወ ቴለቪዥን ንዝተወሰና ሃገራት ጥራሕ ዘራኽብ ኮይኑ ኣብ ደረጃ ፈተነ እዩ ኔሩ። ንኣብነት ቢቢሲ ካብ 1936 ጀሚሩ ኣዝዩ ንጹር ዝኾነ (ሃይ ደፊኒሽን) ምስሊ ብቴለቪዥን ብምፍናው ፈላሚ ማእከን ዜና እዩ። “ኣወር ዎርልድ” ግና ካብዚ ብዝተፈለየ መገዲ ኣብ ኩለን ክፍለ ዓለማት ንዝርከቡ ሰባት ብሳተላይት ቀጥታዊ ፈነወ ቴለቪዥን ከቕርብ ይፍትን ኔሩ። ዘ ቢትልስ፡ ደሓር ፍሉጥ ንዝኾነ ሙዚቃኦም ‘ኦል ዩ ኒድ ኢዝ ላቭ’ ኣብ ቢቢሲ ኣቕረቡ። እዚ ድሕሪ ምዕዋቱ፡ ኣብ 1985 ዓለም፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸሰተ ጥሜት ሓገዝ ከበርክት ዘኽኣለ ‘ላይቭ ኤይድ’ ከመሓላልፍ ከኣለ። እዚ ካብ ብዙሕ መድረኻት ዝተመሓላለፈ ሙዚቃዊ ምርኢት ብ ቦብ ጌልዶፍን ሚጅ ኡርን ዝተሰናደወ ነበረ። ኣብ ምዕዋት እቲ ሙዚቃዊ ምርኢት እጃም ቢቢሲ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ኔሩ። እቲ ምርኢት ኣብ 60 ሃገራት ዝርከቡ ከባቢ 400 ሚልዮን ሰባት ብቐጥታ ክከታተልዎ ክኢሎም እዮም። እዚ ስእሊ፡ ብተምሳል እቲ ንጋዜጠኛ ቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስ ጆርጂ ማርኮቭ ንምቕታል ዝወዓለ ንዋት ዝተዳለወ እዩ። 7 መስከረም 1978፡ ማርኮቭ ናብ ስርሑ እናኸደ እንከሎ ሓደ ጽላል ሒዙ ዝነበረ ሰብ ብድሕሪት ኣብ እግሩ ወጊእዎ ተሰወረ። ማርኮቭ ናብ ሆስፒታል ክውሰድ እንከሎ ብኣባል ስለያ ቡልጋርያን ኬጂቢን ተመሪዙ ክኸውን ከምዝኽእል ተዛረበ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ከኣ ኣብ መበል 49 ዓመቱ ህየወቱ ሓለፈ። እቲ ኣገባብ ቅትለትን እቲ ጋዜጠኛ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኮሚኒስት ቡልጋርያ ዘቕርቦ ዝነበረ ነቐፌታን፡ ኬጂቢ ወይ ኣገልግሎት ጸጥታ ቡልጋርያ ኣብቲ ቅትለት ኢድ ከምዘለዎም ክጥርጠሩ ጌሩ እዩ። እቲ ቅትለት “ፒካዲሊ” ብዝተባሃለ ኣባል ስለያ ከምእተፈጸመ ድሒሩ ዝተረኽበ ሰነዳት ኣረዲኡ። እንተኾነ ግና ምስቲ ቅትለት ብዝተኣሳሰር ናብ ሕጊ ዝቐረበ የለን። እዚ ዋንጫ ንስፖርታውያን ዝወሃብ ዓመታዊ ሽልማት ኮይኑ፡ ኣብ 2018 ግብጻዊ መሓመድ ሳላሕ ተዓዊቱሉ። ካብ 2001 ጀሚሩ ንተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ጥራሕ እዩ ዝወሃብ ኔሩ። ካብ 2012 ጀሚሩ ግና ንኹሉ ዓውድታት ስፖርት ከምዘካትት ተጌሩ። እቲ ናይ መጀመርታ ቅርጺ እቲ ዋንጫ ብሓደ ሴራልዮናዊ ወተሃደር ነበር እዩ ተዳልዩ። እቲ ወተሃደር ኣብ ስነጥበብ ዘለዎ ዝንባለ ምስ ተገንዘበ ህይወቱ ከምዝተቐየረ ይግለጽ። ሰነዳዊ ፊልምታት ዝርኢ ሰብ ንዴቪድ ኣተንብሮ ኣይስሕቶን እዩ። እቲ ፊልምታት ንሸሞንተ ዓሰርተ ዓመታት ዝዘለቐ ኣብ ህይወት መሮር ዘተኩር እዩ። ከም ‘ብሉ ፕላኔት’፡ ከምኡ’ውን ‘ናቹራል ዎርልድ’ ዝኣመሰሉ መደባቱ፡ ብሚልዮናት ተራእዮምን ብዙሕ ሽልማታት ክወስድ ኣኽኢሎምዎን እዮም። ኣብ መላእ ዓለም ተፈላጥነት ዘለዎ ዴቪድ ካብ 1960ታት እዩ ኣብ ቢቢሲ ኣቕራቢ ኮይኑ ክሰርሕ ጀሚሩ፡ ክሳዕ ዝለዓለ ኣካያዲ ስራሕ ክኸውን ከኣ በቒዑ እዩ። ብፍላይ ኣብ ኩነታት ኣየር መሃሪ ትሕዝቶታት ብምድላው በቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝወሃብ ሽልማት ሻምፕዮና መሬት 2021 ተዋሂቡ።","category":"መራኸቢ ብዙሓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cjqw749enpno"} {"headline":"እስራኤል ኣብ ምጽራይ ቅትለት ጋዜጠኛ ሽሪን ኣቡ ዓቕላ፡ ምስ ኣመሪካ ከምዘይትተሓባበር ኣፍሊጣ","content":"እስራኤል ኣብ ጉዳይ ቅትለት ጋዜጠኛ ሽሪን ኣቡ ዓቕላ፡ ኣብ ዝግበር ዝዀነ “ደጋዊ መርመራ” ከም ዘይትተሓባበር ገሊጻ። ሚኒስትር ምክልኻል በኒ ጋንትዝ፡ ሰብ መዚ ኣመሪካ ኣብ ቅትለት እታ ጋዜጠኛ መርመራ ምጅማሮም ጌጋ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ። እታ ፍልጤማዊት-ኣመሪካዊት ጋዜጠኛ፡ ኣብቲ ብእስራኤል ዝተትሓዘ ከባቢ ዌስት ባንክ፡ ወተሃደራት እስራኤል ስርሒት ኣብ ዘካይዱሉ፡ ኣብ ስራሕ እናሃለወት ብጥይት ኣብ ርእሳ ተወቒዓ ከም ዝሞተት ይዝከር። ኣቐዲሙ፡ ሽሪን ብወተሃደራት እስራኤል ከም ዝተቐተለት መሰኻኽር ዓይኒ ዝገለጹ ኰይኖም፡ ሰብመዚ እስራኤል እውን ብእስራኤላዊ ወተሃደር ተቐቲላ ክትከውን ከም እትኽእል ገሊጾም እዮም። ቤት ጽሕፈት መርመራ ፌደራል ኣሜሪካ (ኤፍ.ቢ.ኣይ) ኣብ ቅትለት እታ ጋዜጠኛ መርመራ ከም ዝጀመረ ንሚኒስትሪ ፍትሒ እስራኤል ምሕባሩ ኣሜሪካዊት ትካል ዜና ኣዝዮስ ብሰኑይ ገሊጻ። ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል “ሞያዊን ዘይሻራውን መርመራ” ከም ዘካየደ ዝሓበረ ሚኒስተር ምክልኻል ገንትዝ ግና ኣብ ልዕሊ ወታሃደራቶም ንዝካየድ ዝኾነ ምርመራ ከም ዘይተሓባበሩን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ምጽራይ ከካይዱ ከም ዘይፈቕዱሎምን ንሰብ መዚ ኣመሪካ ከም ዝሓበሩሎም ተዛሪቡ። ኣብ ሃገራት ዓረብ ኣዝዮም ፍሉጣት ካብ ዝዀኑ ጋዜጠኛታት ሓንቲ ዝነበረት ሽሪን ኣቡ ዓቕላ፡ ብ11 ጉንበት 2022፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ጀኒን፡ ወተሃደራት እስራኤል የካይድዎ ዝነበረ መጥቃዕቲ ኣብ እትጽብጽበሉ እዋን እያ ተቐቲላ። ኣብቲ እዋን ኣብ መንጎ ወተሃደራት እስራኤልን ፍልስጤማውያን ሚልሻታትን ልውውጥ ተኹሲ ዝነበረ ኰይኑ፡ እታ ጋዜጠኛ መለለዪ ጋዜጠኛታት ዝዀነ ቆቢዕን ጃኬትን ተኸዲና ነይራ። መሰኻኽር ዓይንን ሰብመዚ ፍልስጤምን፡ እታ ጋዜጠኛ ብወተሃደራት እስራኤል ከም ዝተቐተለት ዝገለጹ ኰይኖም ብሕቡራት ሃገራትን መራኸቢ ብዙሃንን ዝተገበሩ መርመራታት እውን ነዚ ኣረጋጊጾም እዮም። ገምጋም ኣሜሪካ እውን እቲ ነታ ጋዜጠኛ ዝቐተለ ጥይት ካብ ወተሃደራት እስራኤል ዝተተኰሰ ክኸውን ተኽእሎ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ። ኣብ ወርሒ መስከረም ሓደ በዓል መዚ ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል ጋዜጠኛ ምዃና ብዘይፈለጠ ወተሃደር ብጌጋ ተወቒዓ ክትከውን “ዓብዪ ተኽእሎ” ምህላዉ ተዛሪቡ ነይሩ። “ነቲ ዝገበሮ ነጊሩና እዩ፤ ከምኡ ገይሩ እንተዀይኑ እውን ብስሕተት ዝተገበረ እዩ” ኢሉ። ብተወሳኺ ኣብቲ እዋን እቶም ወተሃደራት ዝነበሩዎ ኩነታት ጽንኩር ከም ዝነበረን ካብ ኩሉ ኣንፈት ይትኰሰሎም ምንባሩን እቲ በዓል መዚ ዝሓበረ ኰይኑ፡ ካብቲ ኣቡ ዓቕላ ዝተቀተለትሉ ከባቢ ዝተረኸበ ናይ ቪድዮ ሓበሬታ ግን ነዚ ዝድግፍ ኣይኰነን። ወተሃደራት እስራኤል ኣስታት 200 ሜትሮ ጥራሕ ርሒቖም ምንባሮም ይግመት።እቲ ቪድዮ ድማ፡ ማቲ እታ ጋዜጠኛ ዝነበረትሉ ከባቢ ብተደጋጋሚ ጠያይቲ ክትኩሱ የርእይ። ኣብ እየሩሳሌም ዝተወለደት ጋዜጠኛ ኣቡ ዓቕላ፡ ዝበዝሕ እዋን ኣብ ኣሜሪካ ዝተቐመጠትን ዜግነት ኣሜሪካ ዝነበራን እያ። ዝበዝሕ ናይ ስራሕ ግዚኣ ድማ ጎንጺ እስራኤልን ፍልስጤምን ኣብ ምጽጻብ ኣሕሊፋቶ። ሓደ እዋን “ጋዜጠኝነት ናብ ህዝቢ ዝቐረበ ክኸውን እየ ዝደልዮ። እቲ ሓቂ ንምቕያር ቀሊል ዘይክኸውን ይኽእል፤ እንተወሓደ ግን ድምጾም ናብ እዝኒ ዓለም ከምጸኦ ይኽእል እየ” ኢላ ነይራ።","category":"መራኸቢ ብዙሓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cxwelvdjg23o"} {"headline":"ኣብ ቅንያት መርዕኣ ንኣቦኣ ኣሊሻ ዝረኸበት ጋዜጠኛ","content":"ኬንያዊት ጋዜጠኛ ናሙካቦ ወሩንጋ ንኣስታት 30 ዓመታት ኣቦኣ መን ከምዝኾነ እንከይፈለጠት ጸኒሓ መርዕኣ ምስተቓረበ ግን “ኣቦይ ግን መን’ዩ?” ዝብል ሕቶ መመሊሱ ክርብሻ ጀሚሩ። ንሳ ድሕሪ ክንደይ ላዕልትን ታሕትን ኣቦኣ መን ምዃኑ ኣሊሻ ረኺባቶ ኣላ።","category":"መራኸቢ ብዙሓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4n0gv3evmyo"} {"headline":"መስሓቕቲ ፍጻመታት 2022","content":"ኣብ 2022 ብዙሓት ሰባት 'ካዕካዕ' ዘበሉ ፍጻመታት ነይሮም። ካብ ሞንጎኦም ኬኒያዊ ጋዜጠኛ ኣብ እንዳ ሓራምዝ ኣትዩ ጸብጻብ ይሰርሕ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ብንእሽቶ ሓርማዝ ክርትም ኢሉ ዝስሓቐሉ ተጓንፎ'ዩ።","category":"መራኸቢ ብዙሓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2727y7vk7o"} {"headline":"ተዋዛዪ ትሬቨር ኖህ፡ ምስናዳእ ‘ዘ ደይሊሾው’ ደው ከብል እዩ","content":"ተዋዛዪ ትሬቨር ኖህ፡ ኣዳላዊ መደብ ዘ ደይሊ ሾው ስርሑ ደው ከብል ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኖህ፡ \"ኣብቲ መደብ ዝነበሮ ጻንሒት ከም ዘሐጕሶ’ኳ እንተገለጸ፡ \"ካልእ ክድህስሶ ዝደሊ ክፋል ህይወተይ ኣሎኒ\" ኢሉ። እዚ ወዲ 38 ዓመት መንእሰይ፡ ነቲ መደብ ኣብ 2015 ካብ ጆን ስቲዋርት ካብ ዝርከቦ ንደሓር፡ ነቲ ዋዛ ዝመልኦ ዜናን ቶክ ሾውን ኣአንጊዱ'ዩ። ስራሕ ደው ዘብለሉ ግዜ ድሒሩ ከምዝግለጽን ክሳብ ሕጂ'ውን ከም ኣአንጋዲ ኰይኑ ከምዝቕፅልን ተፈሊጡ። ኖህ፡ ኣብ ትውልዲ ዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃ እዩ እቲ ሞያኡ ጀሚርዎ። ኣብ 2011 ናብ ኣሜሪካ ቅድሚ ምግዓዙ፡ ተኸታታሊ ስታንድ-ኣፕ ፍሉያት መደባትን ምሸት ምሸት መደብ ዕላልን የቕርብ ነይሩ። ንደይሊ ሾው ክሕዝ ኣብ ዝተመርጸሉ እዋን ብዙሕ ስሙይ ኣይነበረን፤ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ግን ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ኮኾብ ኰይኑ ብዙሕ ሽልማታት ተለቪዥን’ውን ተዓዊቱ። ኖህ፡ ነዚ ዝገለጸ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ሓሙስ ምሸት መደቡ ኰይኑ፡ እቲ ሓበሬታ ንዕዱማት መደቡ ዘሰንበደ ነይሩ። ንሱ ንሰራሕተኛታት ናይቲ መደብን ንኣድነቕቱን፡ “እቶም ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ዝገርሙ ነይሮም\" ክብል ኣመስጊኑ፡ “ዕብዳን እዩ ዕብዳን!\" ክብል ወሲኹ ገሊጹ። \"መጀመርታ ክንጅምር እንከለና ይዝከረኒ... ብዙሓት ሰባት ኣይኣመኑናን ነይሮም። ርግጽ፡ ንዓይ ንሓደ ወዲ ኣፍሪቃ ናብዚ ቦታ ምሻም ጽላለ እዩ። ክሳብ ሕጂ ጽሉል ውሳነ እዩ ዝመስለኒ\" ክበል ይዋዘ። \"በቃ! ምስ ኮነ ግን ንነብሰይ ኣብዚ ረኺበያ፣ በቲ ጕዕዞ ኸኣ ምስጋና መሊአ። ፍጹም ዘገርም'ዩ ነይሩ። ፈጺመ ዘይተጸበኽዎ ነገር'ዩ።\" ንሱ፡ ድሕሪ ኵሉ እቲ ኣብቲ መደብ ዘአንግድሉ ዝነበረ እዋን - እንተላይ ኣብ እዋን ፕረዚደንትነት ዶናልድ ትራምፕን ለበዳ ኮቪድን፡ ኣዝዩ ዝገርም ከምዝነበረ ገሊጹ፡ “ሕጂ ግን ይኣኽለኒ እየ ዝብል። ብዝጸበቐ መገዲ እዩ ድማ ዘቋርጾ ዘለኹ\"ክብል ውሳነኡ ኣፍሊጡ። \"ነዚ መደብ ምድላው ኣዝየ እየ ዝፈትዎ፡ ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ብድሆታተይ'ዩ ነይሩ፡ ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ሓጎሰይ'ዩ ነይሩ። ድሕሪ 7 ዓመት ግን፡ ደው ምባል ግዜኡ ዝኣኸለ ኰይኑ ይስምዓኒ\" ኢሉ። \"ካልእ ክፋል ህይወተይ ክድህስሶ ዝደሊ ከምዘሎ ተገንዚበ። ካልኦት ቋንቋታት ምምሃር እናፍቕ፡ ናብ ካልኦት ሃገራት ምኻድን ምርኢታት ምቕራብን እናፍቕ። ኣብ ኵሉ ቦታ፡ ኵሉ ነገር ምግባር እየ ዝናፍቕ።\" \"ኣብዚ ክኣቱ እየ ኢለ ሓሊመ ኣይፈልጥን። ብገለ መልክዑ፡ ከም ቻርሊንን ‘ፋብሪካ ቸኮሌትን’ ኰይኑ ተሰሚዑኒ። እቲ ዝሓለፈ ምርኢት እንታይ ምዃኑ ንምርኣይ ኣትየ፡ ድሕሪኡ እቲ ዝቕጽል ዝፈልጠሉ መፍትሕ ተዋሂቡኒ።\" \"ኣነ ክብሎ ዝኽእል፡ ኣዝየ የመስግን ጥራይ\"።","category":"መራኸቢ ብዙሓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4n9dg1gn48o"} {"headline":"ዋንጫ ዓለም 2022፡ ኣሜሪካዊ ጋዜጠኛ ስፖርት ግራንት ዋል ኣብ ቐጠር ዓሪፉ","content":"ኣብ ቐጠር ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ዝጽብጽብ ዝነበረ ፍሉጥ ኣሜሪካዊ ጋዜጠኛ ኩዕሶ እግሪ ከምዝሞተ ተገሊጹ። እቲ ወዲ 48 ዓመት ግራንት ዋል ዓርቢ ምሸት ኣርጀንቲናን ሆላንድን እናተጻወታ እንከለዋ ተወሳኺ ግዜ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን እዩ ወዲቝ። ኣቐዲሞም ዝወጹ ጸብጻባት፡ ወቕዒ ልቢ ኣጋጢምዎ ክኸውን ከምዝኽእል ዝሓበሩ’ኳ እንተዀነ፡ እዚ ግን ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ኣይተረጋገጸን። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግራንት ዋል ንመሰላት ሕደ-ጾታውነት [ኤጂቢቲ] ንምድጋፍ፡ ቀስተ ደመና ማልያ ተኸዲኑ ናብ ስታድዩም ክኣቱ ብምፍታኑ ንሓጺር እዋን ብሰበስልጣን ቐጠር ተኣሲሩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ነይሩ። ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ በቲ ዜና \"ልቡ ከምዝተሰብረ\" ገሊጹ። \"ኣድነቕቲ ኩዕሶ እግሪን ዝለዓለ ጽሬት ዘለዎ ጋዜጠኝነትን፡ ብዛዕባ ጸወታታት፡ ከምኡ'ውን ዓበይቲ ቀንዲ ተሳተፍቲ፡ ልቦና ዝመልኦን ኣዘናጋዕን ዛንታታት ከምዘቕርብ ኵሉግዜ ብግራንት ንተኣማመን ከምዝነበርና ይፈልጡ ነይሮም\" ይብል እቲ መግለጺ። በዓልቲ ቤት ግራንት ዋል፡ ሰሊን ጉንደር፡ \"ምሉእ ብምሉእ ዘሰንብድ\" ክትብል ኣብ ትዊተር ጽሒፋ። ወሲኻ’ውን፡ ካብ ኣዕሩኽታ ንዝረኸበቶ ደገፍ ዘለዋ \"ልዑል ምስጋና\" ገሊጻ። ግራንት ዋል ቅድሚ ምውዳቑ ሓደ መዓልቲ፡ ልደቱ ምስ ኣዕሩኽቱ ኣብ ቐጠር ኣኽቢሩ እዩ። ንሱ፡ ብሰኑይ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ከምዝገለጾ፡ ኣብ ዝሓለፉ 10 መዓልታት ጥዕና ኣይነበሮን፤ ንዝተጠርጠረ ሕማም ብሮንካይትስ ድማ መድሃኒት ይወስድ ነይሩ። \"ኣብ መወዳእታ ኣካላተይ ደኺሙ\" ክብል ጽሒፉ። \"እቲ ንዝሓለፈ 10 መዓልታት ሰዓል ዝነበረ፡ ኣሜሪካን ሆላንድን ኣብ ዝተጻወታሉ ምሸት ናብ ዝኸበደ ነገር ተቐይሩ፡ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ኣፍልበይ ድማ ሓድሽ ደረጃ ጸቕጥን ዘይምቹእነትን ክስምዓኒ ጀሚሩ። \"ኮቪድ ኣይኮነን (ኣብዚብስሩዕ ይምርምር እየ)፡ ሎሚ ግን ናብ ክሊኒክን ቀንዲ ማእከል ሚድያን ኣትየ፡ ምናልባት ብሮንካይትስ ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሮምኒ።\" ፕረዚደንት ፊፋ ጂያኒ ኢንፋንቲኖ፡ ግራንት ዋል ንኩዕሶ እግሪ ዘለዎ ፍቕሪ \"ዓቢ ምዃኑ\" ብምግላጽ፡ ጸብጻቡ \"ብዅሎም ተኸታተልቲ ጸወታ ዓለም ከም ዝናፍቕ\" ገሊጹ። ሓያሎ ጋዜጠኛታት ዓባይ ብሪጣንያ ክብሮም ገሊጾም ኣለዉ። ፒርስ ሞርጋን ንግራንት ዋል \"ንፉዕ ጋዜጠኛ\" ክብሎ እንከሎ፡ ጋዜጠኛ ታይምስ ሄንሪ ዊንተር ድማ \"ጽቡቕ ሰብ፡ ኣብ መዳይ ፕረስ ዝበረኸ ሰብ\" ምዃኑ ገሊጹ። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ስፖርት ዳን ሮኣን ኣብ ትዊተር፡ \"ግራንት ዋል ፍሉጥን ኣዝዩ ዝኽበርን ጋዜጠኛ እዩ ነይሩ፡ እቲ ዝውሕዝ ዘሎ መግሊታት ክብሪ ድማ... ምስክር'ዩ\" ኢሉ። ኮሚሽነር ኩዕሶ እግሪ ሜጀር ሊግ ዶን ጋርበር ብወገኑ፡ \"ብዘሕዝን ሞት ግራንት ዋል ሰንቢድና፡ ሓዚንናን ልብና ተሰቢርናን። ንሱ ንዅዕሶ እግሪ ዘለዎ ፍቕሪን ንጋዜጠኝነት ዘለዎ ተወፋይነትን መዐቀኒ ዘይብሉ ሕያዋይን ሓላዪን ሰብ እዩ ነይሩ\" ክብል ዘለዎ ናእዳ ኣብ ትዊተር ኣስፊሩ። ኣሜሪካዊት ምልክት ቴኒስ ቢሊ ጂን ኪንግ እውን፡ \"ተጣባቒ ማሕበረሰብ ኤልጂቢቲኪዩን ፍሉጥ ድምጺ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮን\" ብምባል ንግራንት ዋል ዘለዋ ክብሪ ገሊጻ። ወሃቢ ቃል ናይቲ ንዋንጫ ዓለም ንምውጣን ሓላፍነት ዝተወሃቦ ላዕለዋይ ኮሚቴ፡ \"ብሞት ኣሜሪካዊ ጋዜጠኛ ግራንት ዋል ኣዚና ሓዚንና\" ኢሉ። \"ግራንት ንኩዕሶ እግሪ ብዘለዎ ዓቢ ፍቕሪ’ዩ ዝፍለጥ፤ ንሻሙናይ ግዜ ዋንጫ ዓለም ፊፋ ንምጽብጻብ ኣብ ቐጠር ነይሩ። \"ኣብ ሉሳይል ስታድዩም ንኣባላት ሚድያ ኣብ ዝተመደበ ክፍሊ ሓሚሙ ወዲቑ... ኣብቲ ቦታ ቅልጡፍ ህጹጽ ሕክምና ተገይሩሉ፤ እቲ ሕክምና፡ ብኣምቡላንስ ናብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ሓማድ ኣብ ዝሰጋገረሉ እዋን እውን ቀጺሉ ነይሩ። \"መስርሕ ምምላስ እቲ ሬሳ ምስ ድሌት ስድራቤት ዝሰማማዕ ምዃኑ ንምርግጋጽ ምስ ኤምባሲ ኣሜሪካን ዝምልከቶም ሰበስልጣን እቲ ከባቢን ርክብ ንገብር ኣለና።\" ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ሚስተር ዋል ካብ 1994 ጀሚሩ ኣብ ሸሞንተ ተኸታተልቲ ዋንጫታት ዓለም ብምጽብጻቡ ብብራዚላዊ ኮኸብ ኩዕሶ እግሪ ሮናልዶ ሽልማት ተዋሂብዎ እዩ።","category":"መራኸቢ ብዙሓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cy9k17453vno"} {"headline":"ሹመት ኣባላት ቦርድ መራኸብቲ ብዙሃን ኢትዮጵያ ሕቶ ኣልዒሉ","content":"ሃገራዊ ባይቶ ተወከልቲ ሕዝቢ ኢትዮጵያ፡ ኣባላት ቦርድ ብዓል መዚ መራኸብቲ ብዙሃን ብዝምልከት ዝገበሮ ሹመት ሕቶ ኣልዒሉ። ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ሕዝቢ ትማሊ መጋቢት 29\/2014 ዓ.ም. ናይ ብዓል መዚ መራኸብቲ ብዙሃን 9 ኣባላት ቦርድ ብድምፂ ብልጫ ኣፅዲቑ። እቲ ቤት ምኽሪ ሹመት ካብዘፅደቐሎም ውልቀሰባት ሚኒስትር ዴኤታ ወፃኢ ጉዳያት አምባሳደር ሬድዋን ሁሴን፣ ሚኒስትር ቱሪዝም አምባሳደር ናሲሴ ጫሊ፣ ካብ ማእከል ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ አምባሳደር ሀሰን አብዱልቃድርን ኣባል ቤት ምኽሪ አዲስ አበባ ዶ\/ር አጋረደች ጀማነህ ን ይርከቡዎም። ይኹን እምበር እቲ ቤት ምኽሪ ብዓል መዚ መራኸብቲ ብዙሃን ኢትዮጵያ ንምጥያሽ ዝወፀ ኣዋጅ ቁፅሪ 1238\/2013 ዝጥሕስ ሹመት እዩ ሂቡ ብዝብል ብርክት ዝበሉ ሰባት እናሞገቱ ይርከቡ። ካብ መንጎ እቶም መካትዒ ነጥብታት ንኣባላት ፖለቲካ ፓርቲ ሹመት ምሃብን ውስንነት ተዋጽኦ ኣባላትን ዝብሉ ይርከቡ። ኣዋጅ መራኸብቲ ብዙሃን ቁፀሪ 1238\/2013 ከምዝገልፆ፡ ኣባላት ቦርድ ብዓል መዚ መራኸብቲ ብዙሃን ካብ ዝምረፁሉ ረቛሒ ሓደ፡ እቲ ዝምረፅ ውልቀሰብ ናይ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካ ፓርቲ ኣባል ወይድማ ቁፃር ክኸውን የብሉን ዝብል ይርከቦ። ይኹን እምበር ካብ መንጎ እቲ ቤት ምኽሪ ዘፅደቖም ኣባላት ቦርድ ኣባላት ብልፅግና ፓርቲ ይርከቡ። ሕቶ ካብ ዘልዓሉ ነጥብታት እቲ ካልእ ውስንነት ተዋጽኦ ኣባላት ቦርድ ዝምልከት እዩ። ብመሰረት ኣዋጅ ቁፀሪ 1238\/2013 ዓንቀፅ 9.5 ካብ መንጎ እቶም ኣባላት ቦርድ እቶም ክልተ ካብ ሲቪል ማሕብረሰብ፣ ክልተ ካብ መራኸብቲ ብዙሃን፣ ክልተ ምስመራኸብቲ ብዙሃን ረብሓን ኣግባብነትን ካብ ዘለዎም ትካላትን ክፍሊ ሕብረተሰብን ከምኡ'ውን እቶም ሰለስተ ኣግባብነት ካብዘለዎም ናይ መንግስቲ ኣካለት ዝተዋፅኡ ክኾኑ ኣለዎም። ኮይኑ ግና ካብቶም ሹመት ካብ ዝፀደቐሎም ትሸዓንተ ኣባላት ዋላ ሓደ ካብ መራኸብቲ ብዙሃን ዝተወከለ የለን። ካልእ መከራኸሪ ነጥቢ እቲ ከይዲ ምልመላ ሕፁያትን ምፅዳቕ ሹመትን ግልፂ ኣይነበረን ዝብል እዩ። ኣዋጅ መራኸብቲ ብዙሃን ከምዝብሎ፡ ከይዲ ምልመላ ሕፁያትን ምፅዳቕ ሹመትን ንሕዝቢ ግልፂ ብዝኾነ መገዲ ክፍፀም ኣለዎ። ዓንቀጽ 9.2 ሕዝቢ ሕፁያት ክስይምን ርእይቶ ክህበሎምን ከምዝግባእ ይሕብር። ብተወሳኺ እውን እቲ ከይዲ መራኸብቲ ብዙሃን ክቐርብን ሕዝቢ ኣቐዲሙ ክፈልጦን ይግባእ። ካብ'ዞም ነጥብታት ብምብጋስ ብርክት ዝበሉ ውልቀሰባት ኣብቲ ከይዲ ዝተፈላለዩ ሕቶታት እናልዓሉ ይርከቡ። እቲ ቀንዲ ሓላፍነት ናይቲ ቦርድ ኣፈፃፅማ ስራሕ ናይቲ ብዓል መዚ ምቁፅፃር እዩ። ትልሚ ስራሕ፣ በጀትን ምንቅስቓሳትን ይግምግም፤ ምሕደራን ቁፃርን ሰራሕተኛታት ዝምልከት መምርሒ የውፅእ ከምኡ ድማ ናብ መንግስቲ ኣቐሪቡ ዋና ዳይሬክተር እቲ ብዓል መዚ የፅድቕ።","category":"መራኸቢ ብዙሓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61020041"} {"headline":"ኵናት ዩክረይን፡ ኣሜሪካዊ ጋዜጠኛ ብረንት ርኖድ ኣብ ዩክረይን ተቐቲሉ","content":"ኣብ ዩክረይን ይሰርሕ ዝነበረ ኣሜሪካዊ ጋዜጠኛ ኣብ ከተማ ኢርፒን ከምዝተቐተለ ፖሊስ ኣፍሊጡ። ወዲ 50 ዓመት ጋዜጠኛን ኣዳላዊ ፊልምን ብረንት ርኖድ፡ ኣብቲ ዞባ እዩ ዝሰርሕ ነይሩ። ሓለቓ ፖሊስ ከተማ ኪቭ ኣንድሪ ነቢቶቭ፡ ብወተሃደራት ሩስያ ከምዝተቐተለ ገሊፁ። ካልኦት ክልተ ጋዜጠኛታት’ውን ተጎዲኦም ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም። ኵናት ዩክረይን ካብ ዝውላዕ ንነዘ፡ ነቲ ኵናት ሽፋን ዝህቡ ጋዜጠኛታት ወፃኢ ግዳይ ሞት እንትኾኑ እዚ ፈላማይ እዩ። ጉድኣት ካብ ሞንጎ ዝበፅሖም ጋዜጠኛታት ጁዋን ኣርዶንዶ ንሓደ ጣልያናዊ ሪፖርተር ከምዝገለፀሉ፡ ተኹሲ ኣብ ዝተኸፈተሉ እዋን ምስ ርኖድ ብሓደ እዮም ነይሮም። “ኣብ ኢርፒን ካብ ዘለዉ ድልድላት ስግር እቲ ፈላማይ ኢና ነይርና፡፡ ንዝወፅኡ ካልኦት ስደተኛታት ንምቕራፅ እናኸድና ነይርና፤ ካብኡ ናብ መኪና ኣቲና” ኢሉ፡ ኣብቲ ብመገዲ ትዊተር ዝተዘርገሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ። “ናብቲ ካልእ ድልድል ክወስደና ዝኾነ ሰብ ረኺብና ኬላ ምስ ሓለፍና፡ ኣብ ልዕሌና ክትኵሱ ጀሚሮም። ካብኡ እቲ ዘዋሪ መኪና ተጠውዩ፤ ግና ምትኳስ ቀፂሎም። ክልቴና ኢና፣ መሓዛይ በርንት ርኖድ’ዩ፤ ብዝተተኮሰ ዓረር ኣብ ክሳዱ ክውቃዕ ርእየዮ” ኢሉ። ርኖድ ካብ ኒውዮርክ ታይምስ ከምዝተውሃበ ዝገልፅ መለለይ መንነት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሑ ኣሎ። ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ብሞት ርኖድ “ኣዝዩ ከምዝሓዘነ” ብምግላፅ፡ ርኖድ ኣብ ዩክረይን ንኒውዮርክ ታይምስ ይሰርሕ ኣይነበረን ኢሉ። ርኖድ ኣብ 2015 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ንመወዳእታ ግዘ ነቲ ጋዜጣ ከምዝሰርሐን፡ እቲ ሒዝዎ ዝነበረ መለለይ መንነት ድማ ቅድሚ ዓመታት ኣገልግሎቱ ከምዘብቀዐን ኣፍሊጡ። መግለፂ ኒውዮርክ ታይምስ፡ “ተዓዋታይ ሽልማት ፒቦይ ጋዜጠኛን ኣዳላዊ ፊልምን ብረንት፡ ብዙሕ ግዘ ምስ ሓዉ ብምዃን ከበድቲ መደባት (ዛንታታት) ከምዘዋደደ” ሓቢሩ። ብረንት ርኖድ፡ ካብ ኣፍጋኒስታን፣ ዒራቕን ሃይትን ዝፀብፀበ እንትኾን፡ ነቲ ኣብ 2014 ብዛዕባ ምዕፃው ኣብያተ ትምህርቲ ቺካጎ ብተኸታታሊ ዘዳለዎ ሰናዳዊ ምድላው ድማ ንሽልማት ‘ፒቦይ ኣዋርድ’ ተዓዊትሉ’ዩ። ርኖድ ዝበዝሕ ግዘ ኣዳላዊ ፊልም ምስ ዝኾነ ሓዉ ክረይግ እዩ ዝሰርሕ። ክረይግ ናብ ዩክረይን ምስኡ ተጓዒዙ ድዩ ዝብል ግና ዛጊድ ኣይተፈለጠን። ቅድም ክብል፡ ሩስያ ኣብ ኪቭ ንዝርከብ መደብር ተሌቬዥን ኣብ ዝደብደበትሉ እዋን፡ ዩክሬናዊ በዓል ሞያ ካሜራ የቭሀኒ ስኳም ከምዝተቐለ ይፍለጥ። ድሕሪ ሒደት መዓልቲ ከኣ፡ ብሪጣንያዊ ጋዜጠኛ ብዝተተኮሰ ብረት ቆሲሉ’ዩ።","category":"መራኸቢ ብዙሓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60733659"} {"headline":"ቱርኪ፡ ክሲ ጀማል ካሾጊ ክቋረጽ ብምውሳና ቁጠዐ ፈጢሩ","content":"ቤት ፍርዲ ቱርኪ ብቕትለት ጋዜጠኛ ጀማል ኻሾጊ ንዝተኸሱ 26 ናይ ስዑዲ ዓረብ ዜጋታት መስርሕ ፍርዲ ክቋረጽ ብምውሳኑ ዓቢ ቁጠዐ ፈጢሩ። እቲ አዘራረቢ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ክቕጽል ምዃኑ እቲ ውሳነ የመልክት። ኣብ ኣመሪካ ተቐማጢ ዝነበረ፡ ንስርዓት ስዑዲ ዓረብ ብምንቃፍ ዝፍለጥ ስሙይ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ኻሾጊ፡ ብ2018 እዩ ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዝርከብ ናይ ስዑዲ ቆንስል ብዘስካሕኽሕ ኩነታት ተቐቲሉ። እቲ ኣብ ውሽጢ ኤምባሲ ስዑዲ ዝተፈጸመ ዘሰምብድ ቕትለት ኣብ እዋኑ ንማሕበረ ሰብ ዓለም ኣቖጢዑ፡ መንግስታት ስዑድን ቱርክን እውን ብዙሕ ተሰሓሒበን ነይረን። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ስዑዲ ዓረብ፡ በቲ ቕትለት ንዝጠርጠረቶም ሸሞንተ ክሱሳት ኣሲራ። ይኹን እምበር ነቶም ቱርኪ ዝጠርጠረቶም ስዑዳውያን አሕሊፋ ክትህባ ፍቓደኛ ኣይነበረትን። ኣመሪካ እትርከበን መንግስታት ምዕራብን ቱርክን ካሾጊ ብመንግስቲ ስዑዲ ብዝተላእኩ ሰባት እዩ ተቐቲሉ ክብላ እንከለዋ፡ ስዑዲ ግን ካሾጊ በቶም ንስዑዲ ንክምለሱዎ ዝሓባብሉዎ ዝነበሩ ሰባት ብዘይ ናይ ማንም ኣፍልጦ ሃንደበት ከምዝተፈጸመ እያ ትዛረብ። ካሾጊ ምስተቐትለ ፕሬዝደንት ረሲፕ ታይፕ ኤርዶጋን እቲ ጋዜጠኛ ካብ ሪያድ ብዝተላእከ \"ጨካኝ ናይ ቅትለት ጉጅለ \" ብመደብ እዩ ተቐቲሉ ኢሉ ነይሩ። ናይ ኣሜሪካ ናይ ስለላ ትካል ሲአይኤ፡ ወራስ ዓራት ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ካሾጊ እንተተኻኢሉ ብህይወቱ ናብ ስዑዲ ክኣቱ እንተዘይተኻእለ ከኣ ንኪቕተል ከምዝኣዘዘ ሓቢሩ። ይኹን እምበር እቲ ወራስ ዓራት ብተደጋጋሚ ኣብቲ ቕትለት ፈጺሙ ኢድ የብለይን ክብል ጸኒሑ ኣሎ። ሕጽይቲ ጀማል ካሾጊ ሃቲስ ሰንጊዝ ብውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ሕጉስቲ ዘይምዃናን ይግባይ ክትብል ምዃናን ሓቢራ ኣላ። እቲ ኣብ ዋሽንግተን ፖስት ብቐዋሚ ዝጽሕፍን ንመንግስቲ ስዑዲ ዝነቅፍን ዝነበረ ወዲ 59 ዓመት ጋዜጠኛ ጀማል ኻሾጊ ምስ ቤተሰብ ንግስነት ስዑዲ ቀረባ ከምዝነበረን ኣብ ሓደ እዋን ኣማኻሪ መንግስቲ ኰይኑ የገልግል ከምዝነበረን ይፍለጥ። ዓቃቤ ሕጊ፡ እቶም ተኸሰስቲ ጥርጡራት፡ ኣብ ዘይጋብኡሉ ቤት ፍርዲ ዝስማዕ ክሲ ናይ ገዜ ምጉታት ከኸትል ይኽእል'ዩ ክብል ንምኒስተር ፍትሒ ቱርኪ ኣቤቱታ ምስ ኣቕረበ'ዩ ቤት ፍርዲ ቱርኪ ነቲ ሓሳብ ተቐቢሉዎ። እቲ ዓቃቤ ሕጊ ኣብ ንቅትለት ካሾኪ ዝምልከት ክሲ ስዑዲ ዓረብ ባዕላ ከምእትምርምሮ ቃል ኣትያ እያ ኢሉ። ይኹን እምበር እቲ ሕጂ ተዋሂቡ ዘሎ ውሳኔ ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዓቢ ነቐፌታ ኣጋጢሙዎ ኣሎ። ኣብ ቱርኪ ዝርከብ ናይ ኣምኒስቲ ኣህጉራዊ ሓላፊ እቲ ውሳነ ፖለቲካዊ እዩ ክብል ገሊጹዎ ኣሎ። ብሰንኪ ቅትለት ካሾጊ ዝምድነአን ሓርፊፉ ዝጸንሐ ስዑድን ቱርክን ኣብዚ እዋን እዚ ዝምድነአን ንምምሕያሽ ጻዕሪ የካይዳ ከምዘለዋ ይፍለጥ።","category":"መራኸቢ ብዙሓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61020037"} {"headline":"ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ መራኸቢ ብዙሓን ንዝውሰድ ዘሎ ተሪር ስጉምቲ ኮኒኑ","content":"ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ መራኸቢ ብዙሓን ንዝውሰድ ዘሎን ዛጊት 19 ጋዜጠኛታትን ናይ ሚድያ ሰራሕተኛታትን ኣብ ቀይዲ ዘእተወን ተሪር ስጉምቲ ኮኒኑ። እቲ ምስ መንግስቲ ምትእስሳር ዘለዎ ኮምሽን ነቲ ማእሰርትታት “ዘይሕጋዊ” ብምባል ክገልጾ እንከሎ፡ እቲ ተግባር ነታ ብተደጋጋሚ ንነጻ ሚድያ ተጻባኢ ኩነታት ብምፍጣር እትኽሰስ ሃገር ናብ ዝተሓተ ደረጃ ዘውርድ ምዃኑ ሓላፊ እቲ ኮምሽን ዶ\/ር ዳንኤል በቀለ ገሊጹ። እቲ ማእሰርቲ ሎሚ ቀዳም'ውን ዝቐጸለ ኮይኑ፡ ኤዲተር ናይ ሓደ ንመንግስቲ ብምንቃፍ ዝፍለጥ ኣባይ ሚድያ ዝተባህለ ዩትዩብ ቻነል ጋዜጠኛ መኣዛ መሓመድ ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ኣሎ። ንሳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኢትዮጵያ ምስቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዝቕጽል ዝነበረ ኲናት ሓድሕድ ብዝተኣሳሰር ሕጹጽ ኣዋጅ ምስ ኣወጀት ንሓደ ወርሒ ኣብ ቀይዲ ምጽንሓ ይዝከር። በዚ ከኣ ብዘይካ’ቶም ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ካብ መንበሪኦምን ካብ ስርሖምን ከምእተትሓዙ እተነግረሎም ጋዜጠኛታት፡ ትማሊ ዓርቢ 27 ግንቦት ጋዜጠኛ ቴለቪዥን ፊንፊኔ ኢንተግሬትድ ኔትዎርኪንግ (ኤፍቢኣይ) ሰቦንቱ ኣሕመድን ጋዜጠኛ ኣልፋ ዩትዩብ ቲቪ በቃሉ ኣላምረውን ከምእተኣሰሩ ጸብጻባት ሓቢሮም። በቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንኽልተ ሰሙን ቀጺሉ ዘሎ ‘ስርሒት ምኽባር ሕጊ’ ዝተሰመየ ስጉምቲ ልዕሊ 6,000 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለው። እዚ ጃምላዊ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመረ ኮይኑ ምስቲ ሰብ መዚ ኣብ ክልል ኣምሓራ ‘ምኽባር ሕጊ’ ዝበልዎን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ቀይዲ ዘእተውሉን ስጉምቲ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን እዩ ዘጋጥም ዘሎ፡፡","category":"መራኸቢ ብዙሓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61618127"} {"headline":"ኤርትራ፡ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ስንብታኡ እንታይ ኢሉ?","content":"ላዕለዋይ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ፡ ስቲቨን ዎከር ናይ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ስርሑ ዛዚሙ ናብ ሃገሩ ኣብ ዝምለሰሉ ዘሎ እዋን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ንህዝቢ ኤርትራ ልዑል ምስጋና ከምዘለዎ ገሊጹ። ንሱ፡ ብማሕበራዊ ሜድያ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘዘርግሖ መልእኽቲ፡ “ናብዛ እትድነቕ ሃገር ኣዝዩ ምዉቕ ኣቀባብላ ዝገበርኩምለይ፡ ሃብታም ባህልኹምን ታሪኽኩምን ስለዘካፈልኩምኒ፡ ብፍላይ ኣብ 1993 ብዝረኸብኩምዎ ናጽነት ብቝዕ ዝዀነ ሓበንኩምን አመስግነኩም’’ ክብል ንህዝቢ ኤርትራ ናእዳኡ ገሊጹ። ስቲቨን ዎከር፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ፖለቲካውን ቍጠባውን ጸገማት ከቢድ ኵነታት የሕልፍ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ኤርትራ ዘድሊ ጽገናታት ክገብር ጸዊዑ። ንሱ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ዝገብሮ ቃልሲ፡  ኣነን ብዙሓት ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ካልኦትን፡ ሓቅነት መከራኹም፡ ትብዓትኩም፡ ከምኡ’ውን ህዱእ ክብርኹምን ንፈልጦ ኢና፤ መስዋእትኹምን ቃልስኹምን ንፈልጦ ኢና’’ ድሕሪ ምባል፡ “ህዝቢ ኤርትራ፡ ወትሩ ኣብ ሓሳበይን ጸሎተይ ክትህሉ እዩ’’ ክብል ጽሒፉ። ስቲቨን ዎከር፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ኣብ ወጻኢ ዝመደበሩ ኤርትራዊ ሳተላይት ተለቪዥን ኤሪሳት ኣብ ዘዳለዎ ናይ ሜድያ ኮንፈረንስ፡ ምስ ኣብ ደገ ዝርከቡ ኤርትራውያን ካብ ኣስመራ ቃለመሕትት ዘካየደ ናይ ፈለማ ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት እዩ። ኣብቲ ኮንፈረንስ ኣብ ዘቕረቦ መደረ ከኣ፡ ኣብ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ፡ ብዛዕባ ፖሊሲ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ መብርሂ ንኽህብ ተደጋገሚ ሕቶታት’ኳ እንተቕረበ ከምዝተነጽገ ብምጥቃስ፡ ኣብ ዝዀነ እዋን ንመንግስታዊ ትካላት ሜድያ ሓሳቡ ክህብ ፍቓደኛ ምዃኑ ኣብሪሁ ነይሩ። ስቲቨን ዎከር፡ “ናጻ ፕረስ እምነ-ኵርናዕ ናይ ጥዕና ዘለዋ፡ ደሞክራስያዊትን ናጻን ሃገር’ዩ” ብምባል፡  መሰረት ሰብኣዊ መሰላትን ቍጠባዊ ምዕባለን ምዃኑ መጒቱ። ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ፍልይ ብዝበለ፡ ኣንጻር እቲ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ዝህቦ ዝነበረ ሓደ ሓደ መግለጺታት ብዓውታ ግብረ መልሲ ይህብ ብምንባሩ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቓልቦ ብዙሓት ኤርትራውያን ስሒቡ ጸኒሑ እዩ። እቲ ኤምባሲ ኣብ ፈይስቡክ ኣብ ብዘውጽኦ መግለጺ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ይዝርግሕ ኣሎ ክብል ክነቅፍ ጸኒሑ። ኣብ መንጎ እቲ ሚኒስተርን ኣብ ርእሰ ከተማ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካን ዝግበር ናይ ቃላት ምልልስን ምጉትን ብዙሕ ከዘራርብ ጸኒሑ እዩ። እቲ ኤምባሲ፡ ብማሕበራዊ ሜድያ ኣቢሉ፡ መንግስቲ ኤርትራ ፖለቲካዊ ጽገናታት ክገብርን፡ እቶም ኣብ መስከረም 2001 ተኣሲሮም ዝተሰወሩ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ክፍትሑ ክጽውዕ ጸኒሑ። ብተወሳኺ፡ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ፡  መንግስቲ ኤርትራ፡ ሓይልታቱ ካብ ትግራይ ከውጽእን፡ ነቶም ግፍዕታት ዝፈጸሙ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብሓላፍነት ክሓቶምን ብተደጋጋሚ ክጽውዕ ጸኒሑ። ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን፡ ኤርትራን ኣሜሪካን ነቲ  ቅድሚኡ ኣብ ምምሕዳር ባራክ ኦባማ ዝነበረ ሓርፋፍ ዝምድናአን ከመሓይሻኦ ተራእየን ነይረን። ኣብ 2018 ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ተራኺቦም ኣብ ክልተኣዊን ዞባውን ጉዳያት ከም ዝዘተዩ ኣብ እዋኑ ብማዕከናት ዜና ተቓሊሑ ነይሩ። ኣብ 2019 እውን፡ ብኣሜሪካዊት ኣደ መንበር ባይቶ ኣሜሪካ ካረን ባስ ዝተመርሑ ሓደስቲ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ፡ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ጆ ንጉሰን፡ ኣሜሪካዊት ሶማላዊት ኢልሃም ዖመርን ናብ ኤርትራ በጺሖም ነይሮም። እንተዀነ ዳሕራይ፡ ምምሕዳር ባይደን፡ ምስ ቅልውላዉ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል ዝርከቦም ትካላትን ላዕለዎት ሰብ መዝን ኤርትራ እገዳ ኣንቢሩ። ብተወሳኺ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብ\/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ነማርያምን ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወት ወልደኪዳንን እገዳ ኣንቢራ። ዳርጋ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብ ልዕሊ ጠቕላሊ-ሓለቓ-ስታፍ ሰራዊት ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልድዮሃንስ  እውን እገዳ ኣንቢራ። ብድሕሪ እቲ ውሳነ ኸኣ፡ መንግስቲ ኤርትራን ደገፍቱን፡ ኣሜሪካ፡ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ተጻባኢ መርገጺ ወሲዳ ክብሉ ተቓውሞኦም ገሊጾም። ሰብ መዚ ኤርትራ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ኮነ ኣህጕራዊ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንዝቐርበሎም ክስታት፡ ንምስሊ ሃገር ንምድዋን ዝቐርብ \"ውዲት'ዩ\" ክብሉ እዮም ዝነጽግዎ። መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብተደጋጋሚ ዝቐርበሉ “ሓቅነት ዘይብሉ” ዝብሎ ክስታት መልሲ ካብ ምሃብ ስቕ ከምዘይብል ብምግላጽ ከኣ፡ \"ምምሕዳር ኣሜሪካ ነቲ ዘቕርቦ ዘሎ ናይ ሓሶት ክሲ፡ መረጋገጺ ጭብጥታት እንተልይዎ ናብ ናጻን ዘይሻራውን ኣካል ከቕርቦ\" ክጽውዕ ጸኒሑ ኣሎ። ኤርትራን ኣሜሪካን፡ ኣብ ሃገረን ናይ ሓድሕደን ኣብያተ ጽሕፈት ኤምባሲታት'ኳ እንተለወን፡ ካብ ክልቲኤን ወገን ዝተመዙ ኣምባሳደራት ግን የብለንን። ኣሜሪካ፡ ካብ 1993 ኣትሒዙ ምስ ኤርትራ ጥቡቕ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና እኳ እንተነበራ፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ግና እቲ ዝምድና እናንቈልቆለ ምምጽኡ ይፍለጥ። ኣባል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ መንግስቲ ኣሜሪካ ስቲቨን ዎከር፡ ካብ ታሕሳስ 2019 ላዕለዋይ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ኰይኑ ሰሪሑ። ቅድሚኡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ዓቕሚ ምክትልን ተሓጋጋዚ ጸሓፍን ኰይኑ ዘገልገለ ስቲቨን ዎከር፡  ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ዒራቕ፡ ማልታ፡ ሊብያ፡ ሶርያ፡ የመን፡ ማውሪታንያን ቱርክን ከም ዲፕሎማት ሰሪሑ። ኣብ ሃዋይ ተወሊዱ ዝዓበየ ስቲቨን፡ ቀዳማይ ዲግሪ ካብ ሪድ ኮሌጅ፣ ካልኣይ ዲግሪ [ማስተርስ] ብኣህጉራዊ ዝምድናታት ካብ ናይ ሕግን ዲፕሎማስን ዩኒቨርሲቲ ፈልትቼር፣ እንደገና ብስትራተጂ ሃገራዊ ድሕነት ካልኣይ ማስተርስ ካብ ናሽናል ዎር ኮሌጅ፡ ዝተመረቐ ኰይኑ፡ ምርዑውን ኣቦ ክልተ ቈልዑን እዩ።","category":"መራኸቢ ብዙሓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c9exe8dllgzo"} {"headline":"ኬንያዊት 'ናይ ሓሶት ፖሊስ' ኣብ ቲቪ ድሕሪ ምቕራባ ተኣሲራ","content":"ሓንቲ ፖለቲከኛ ክትከውን እትደሊ ኬንያዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብ ሓደ ናይ ተለቪዥን መደብ ከም ተዛታዪት ኮይና ክትርከብ ከላ፡ ፖሊስ መሲላ ስለዝቐረበት፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ። መንነታ ሞኒካ ዋማይታይ ጊታው ዝተባህለት ጥርጥርቲ፡ ትማሊ ረቡዕ ንግሆ ኣብ ሓደ ብቋንቋ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝተኻየደ መደብ ዘተ፡ ምሉእ ዩኒፎርም ፖሊስ ተኸዲና ነይራ። ፖሊስ፡ ኣብቲ ናይ ቁርሲ ሰዓት መደብ ከም ኣባል ፖሊስ ኰይና ዝቐረበት፡ ወ\/ሮ ዋማይታይ፡ ድሕሪ ምጥርጣሮም፡ ናብቲ መደበር ቲቪ ተጓይዮም። እታ ጥርጥርቲ ትኹን እቲ መደበር ቴሌቪዥን ኢኖሮ ብዛዕባ እዚ ክሲ ርእይቶ ኣይሃቡን። ፖሊስ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ \"ኣብዚ እዋን'ዚ ገበናት ጠልቆምቆም ንምቅላዕ ኣብ መርመራታት ፖሊስ መሲላ ትሕግዝ ኣላ\" ኢሉ። እታ ውልቀሰብ: ኣብቲ ንነሓሰ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ መረጻ ኬንያ፡ ንባይቶ ከተማ ናይሮቢ ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ምዃና ፖሊስ ይገልጽ። ፖሊስ፡ ማዕከናት ዜና፡ \"ኣብ መጻኢ ተመሳሳሊ ፍጻመታት ንኸይፍጠር\"፡ ንመኮንናት ቅድሚ ንቃለ መሕትት ምዕዳሞም፡ ግቡእ ምጽራይ ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ። ኣብ 2013፡ ጆሹዋ ዋይጋንጆ ዝተብሃለ ውልቀሰብ፡ ንሓሙሽተ ዓመታት፡ ሓጋዚ ኮሚሽነር ፖሊስ ኬንያ መሲሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ተኸሲሱ ምንባሩ ይዝከር። ኣብ’ቲ እዋን፡ እቲ ውልቀ ሰብ፡ ኣብ ዞባ ሪፍት ቫሊ ንዝርከቡ ኣባላት ፖሊስ ካብ ስልጣን ከም ዘባረረን ካልኦት ከም ዝቖጸረን ይግለጽ። ሚስተር ዋይጋንጆ ኣብ ግንቦት 2020 ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነጻ ኮይኑ። ዓቃቢ ሕጊ ነቲ ብይን ይግባይ ኢሉ ኣሎ።","category":"መራኸቢ ብዙሓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw4p5428pk9o"} {"headline":"ኣብ ትግራይ ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ተሌቪዥን ትግራይ ተኣሲሮም","content":"ሓደ በዓል ሞያ ሒሳብ ዝርከቦም ብውሕዱ ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ምንጭታት ቢቢሲ ኣረጋጊጾም። እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ጋዜጠኛታት እቲ ትካል፡ ምስግና ስዩም፣ ሓበን ሓለፎም፣ ሃይለሚካኤል ገሰሰ፣ ተሾመ ጠማለውን ዳዊት መኮነንን ዝበሃሉ እዮም። ካልእ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ በዓል ሞያ ፋይናንስ፡ ክፍሎም አፅብሃ ከምዝርከቦም እቶም ምንጭታት ወሲኾም ሓቢሮም። ብፍላይ ኣርባዕተ ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ጋዜጠኛታት ንኣስታት ክልተ ሰሙን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣቲዮም እኳ እንተጸንሑ፡  ዛጊድ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡ ይዝረብ። እቲ ሓደ ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣቱ ሻድሻይ መዓልቱ ኣቑጺሩ ኣሎ ተባሂሉ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት መሻርኽቱ ዀይኑ ንከተማ መቐለ ኣብ ዝተቖጻጸረሉ እዋን፡ ምስ ውድብ ብልጽግና ተሓባቢርኩም ብዝብል ጥርጣረ ከም ዝተኣስሩ መሳርሕቶም ይዛረቡ። እዚ ብዝምልከት፡ ዓቃቢ ሕጊ ከተማ መቐለ ኣዲስ ገብረስላሰ ምስ ቪኦኤ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ እቶም ጋዜጤኛታት ብሰንኪ ሞየኦም ዘይኮነስ ‘ብኻልእ ገበን ተጠርጢሮም’ ከምዝተኣስሩን ጉዳዮም ኣብ ምጽራይ ከምዝርከብን ኣረዲኡ። ኣብዚ ጉዳይ ካብ ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን። ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተው፡ ምስግና ስዩምን ተሾመ ጠማለውን ምስ'ቲ ትካል ቴሌቪዥን ክሰርሑ ዝጸንሑ ዀይኖም፡ ሓበን ሓለፎም፣ ሃይለሚካኤል ገሰሰን ዳዊት መኮነን ድማ፡ ቅድም ኢሉ ‘ብገምጋም’ ተኣጊዶም ከም ዝፀንሑ ጸብጻባት ይሕብሩ። ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ጋዜጠኛታት ሓደ ዝዀነ ሓበን ሓለፎም፡ ኣብ ትግራይ ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር ኣብ ዝቖመሉ እዋን’ውን ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ኣብ ቀይዲ ኣቲዩ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ቴሌቪዥን ትግራይ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ንዝተወሰነ እዋን ኣገልግሎቱ ተቛሪጹ ዝነበረ ዀይኑ፡ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ብዝተገበረሎም ጻውዒት መሰረት ስራሕ ጀሚሩ ምንባሩ ይዝከር።","category":"መራኸቢ ብዙሓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw834xpz4g2o"} {"headline":"ዓብዲዓዚዝ መሓመድ ጉለድ፡ ፍሉጥ ሶማልያዊ ጋዜጠኛ ብመጥቃዕቲ ቦምባ ተቐቲሉ","content":"ሓደ ንኣልሻባብ ኣትሪሩ ብምንቃፍ ዝፍለጥ ስሙይ ሶማልያዊ ጋዜጠኛ ብነፍሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ቦምባ ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ከም ዝተቐትለ ተፈሊጡ። ዓብዲዓዚዝ መሓመድ ጉለድ ፡ ዓብዲዓዚዝ ኣፍሪቃ እናተባህለ'ውን ዝጽዋዕ ኾይኑ፡ ትማሊ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ሓደ ቤት መግቢ ክወጽእ ክብል እዩ እቲ መጥቃዕቲ በጺሕዎ። ካልኦት ኣብ ጥቓኡ ዝነበሩ ክልተ ሰባት ድማ በቲ መጥቃዕቲ ጉድኣት ከም ዝበጽሖምን ሽዑ ንሽዑ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስዱን ተፈሊጡ። ኣልሻባብ ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ሓላፍነት ዝወሰደ ኾይኑ፡ ዕላምኡ ድማ ነቲ ኣብ ራድዮ ሞቃዲሾ ዝሰርሕ ዝነበረ ጋዜጠኛ ከም ዝኾነ ዕላዊ ገይሩ። ራድዮ ሞቃዲሾ ንምንጭታት ፖሊስ ጸሪሑ ከም ዝጸብጸቦ፡ እቲ መጥቃዕቲ ቦምባ እቲ ጋዜጠኛ ምስ ዳይሬክተርን ሃገራዊ ቴሌቪዥን ሶማያልን ሹፌርን እንከሎ እዩ እዩ ተፈንጂርዎ። እቲ ጸብጻብ ድምጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማሊያ መሓመድ ሑሴን ሮብል'ውን ዘካተተ ኾይኑ፡ ንሱ ንስድራ እቲ ጋዜጠኛ ሓዘኑ ከም ዝገለጸን ጽንዓት ይሃብኩም ከም ዝበለን ገሊጹ። \"ዓብዲዓዚዝ ኣዝዩ ትጉህ ጋዜጠኛ እዩ ነይሩ። ንሱ ንሃገሩ፣ ንሃይማኖቱን ንህዝቡን ብወነን ሓቦን ዘገልግል ዝነበረ ንፉዕ ጋዜጠኛ እዩ\" ክብል ንኢድዎ። ጉለድ ብፍላይ ምስ ኣልሻባብ ርክብ ዘለዎም ጥርጡራት ቃል መሓትት ብምግባር ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ሰማዒ ይስሕብ ከም ዝነበረን ህቡብ ኮይኑ ከም ዝነበረን ይዝረብ። መናእሰይ ዝብል ትርጉም ዘለዎ ኣልሻብብ ብዝብል ዝፍለጥ እስላማዊ ጉጅለ፡ ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገረት ዝቖመ ድኹም መንግስቲ ንልዕሊ ዝሓለፉ ኣሰርተ ዓመታት ተቓሊስዎ ኣሎ። እቲ ጂሃዲስት እስላማዊ ጉጅለ፡ ብወተሃደራት ሕብረት ኣፍሪቓ ኣብ 2011 ክሳብ ዝወጽእ ንሞቓድሾ ሓዊሱ ንኣብዝሓ ከባብታት ሶማልያ ተቖጻጺሩ ነይሩ። ሕዚ'ውን ብፍላይ ኣብ ገጠራት እታ ሃገር ሰፋሕቲ ግዝኣታት ብምቁጽጻር ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቃዲሾን ኣብ ካልኦት ከባብታት እታ ሃገርን ተኸታተልቲ መጥቃዕቲ ክፍጽም ይስትውዓል። ኣብዝሓ ህዝቢ ሶማልያ ተኸተልቲ ሱፊ እንትኾኑ፡ ኣልሸባብ እቲ ኣዝዩ ኣኽራሪ ኣተሓሳስባ ዝብሃል ሃገረ ስስዑዲ ዝድገፍ ወሃብያ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣተሓሳስባ እዩ ዘሰጉም። ካብዚ ብዝብገነስ እቲ ጉጅለ ኣብ ዝቆጻጸሮም ከባብታት ኣዝዩ ሕሱም ዝኾነ ስጉምቲታት ክወስድን ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ጭካነ ዝተመልኦ መቕጻዕቲታት ክትግበር ይስትውዓል። ሓደ መረዳእታ ከም መላኽቶ፡ ካብ 2010 ጀሚሩ ዛጊድ ልዕሊ 4 ሽሕ ሶማልያውያን ብኢድ እቲ ጉጅለ ህይወቶም ስኢኖም እዮም።","category":"መራኸቢ ብዙሓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59329426"} {"headline":"ብምስላ ንፕረዚደንት ቱርኪ ጸሪፋ ዝተባህለት ጋዜጠኛ ተኣሲራ","content":"ቤት ፍርዲ ቱርኪ ንፕረዚደንት እታ ሃገር ተጻሪፋ ንዝበላ ጋዜጠኛ ሰደፍ ካባስ ኣሲሩ፡፡ እታ ጋዜጠኛ ብቀዳም ኣብ ቀይዲ ዝኣተወት ኮይና ቅድሚ ናብ መጋባእያ ምቕራባ ክትእሰር ኣዚዙ ኣሎ፡፡ ካባስ ምስ ሓደ ምስ ተቓወምቲ ምትእስሳር ዘለዎ ናይ ቴሌቪዥን ጣብያ ኣብ ቐጥታ ፈነወ ቀሪባ ዝተዛረበቶ ምስላ ንፕረዚደንት ኤርዶጋን ዕላማ ዝገበረ እዩ ዝብል ክሲ ቀሪቡላ ኣሎ፡፡ ንሳ ግን ነቲ ክሲ ኣይትቕበሎን፡፡ እቲ ቀሪቡላ ዘሎ ክሲ ካብ ሓደ ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት ዘእስር እዩ፡፡ ‘‘ ሓደ ፍሉይ ኣበሃህላ ኣሎ፤ ዘውዲ ዝጸዓነ ርእሲ በሊሕ ይኸውን ዝብል፡፡ እንተኾነ ሓቂ ከምዘይኮነ ኢና እንርእይ ዘለና’’ ኢላ ኣብቲ ቴሌቪዥን፡፡ ቀጺላ ድማ ‘‘ተፊን (ኣርሓ) ናብ ቤተ መንግስቲ ስለዝኣተወ ንጉስ ኣይኸውን፤ እቲ ቤተ መንግስቲ እዩ ደምበ ዝኸውን’’ ክትብል ወሲኻ፡፡ ጸኒሓ ድማ ነቲ ብሂል ኣብ ትዊተር ጠቂዓቶ፡፡ ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ኤርዶጋን፡ ፋህረቲን ኣልቱን፡ ንዘረባ እታ ጋዜጠኛ ‘‘ሓላፍነት ዝጎደሎ’’ ክብል ገሊጽዎ፡፡ ‘‘ሓንቲ ጋዜጠኛ እየ በሃሊት፡ ኣብ ቴሌቪዥን ብዘይ ሕንከት፡ ጽልኣት ካብ ምግፋሕ ወጻኢ ካልእ ዕላማ ዘይብሉ ጸርፊ ንፕረዚደንትና ትጻረፍ ኣላ’’ ክብል እውን ኣብ ትዊተር ጽሒፉ፡፡ ጋዜጠኛ ካባስ ንቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ግን ንሳ ነቲ ፕረዚደንት ናይ ምጽራፍ ሓሳብ ከምዘይነበራ ተዛሪባ፡፡ ሓላፊ ናይታ ቴሌ 1 ዝተባህለት ጣብያ ቴሌቪዥን ዝኾነ መርዳን እውን ‘‘ምስላዊ ኣዘራርባ ተጠቒምኪ ኢልካ ብለይቲ ምእሳር’’ ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ ክብል ነቒፉ፡፡ እቲ ስጉምቲ ጋዜጠኛታት ንምቁንጻብ ዝተወሰደ ከምዝኾነ እውን ገሊጹ፡፡ ጠይብ ኤርዲጋን፡ ቅድሚ ኣብ 2014 ፈላማይ ብቐጥታ ዝተመረጸ ፕረዚደንት ምዃኑ፡ ን 11 ዓመታት ብቐዳማይ ሚኒስተርነት ኣገልጊሉ፡፡ ንነቐፍቱ ስቕ ንምባል ዝወስዶም ስጉምቲታት ኣብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ስግኣት ፈጢሮምን እታ ሃገር ኣባል እቲ ሕብረት ንምዃን ዝነበራ ድልየት ኣተዓናቒፎምን እዮም፡፡ ኤርዶጋን ፕረዚደንት ካብ ዝኸውን ናብዚ ብዙሓት ንዕኡ ብምጽራፍ ተኸሲሶም እዮም፡፡ ከም ጸብጻብ ወኪል ዜና ሮይተርስ ኣብ 2020 ምስዚ ዝተኣሳሰሩ ልዕሊ 31 ሽሕ ክስታት ተኸፊቶም ነይሮም፡፡","category":"መራኸቢ ብዙሓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60101916"} {"headline":"ጋዜጠኛ ሲ-ኤን-ኤን ንበዓልስልጣን ሓዉ ሓጊዙ ተባሂሉ ካብ ስርሑ ተኣልዩ","content":"ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ቴሌቪዥን ክሪስ ኩሞ ኣማሓዳሪ ክፍለሃገር ኒውዮርክ ንዝነበረ ሓዉ ኣብ ዝቐረቦ ክሲ ገበን ጾታዊ ትንኮያ ንምክልኻል ሓጊዙ ተባሂሉ ካብ ሲኤንኤን ተባሪሩ። ሲኤንኤን ኣብዚ ውሳነ ክበጽሕ ዝኸኣለ፡ ጋዜጠኛ ክሪስ ኩሞ ኣብ ገበን ክሲ ሓዉ ዝነበሮ ተሳትፎ ብዝምልከት ተወሳኺ መረዳእታ ምርካቡ ስዒቡ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣማሓዳሪ ከተማ ኒውዮርክ ዝነበረ ኣንድሪው ኩሞ፡ ካብ ዓቀብቲ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ጾታዊ ትንኮያ ፈጺምካ ዝብል ክሲ ምስ ቀረቦ፡ ካብ ሓላፍነቱ ዝለቐቐ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ እዩ ነይሩ። ወዲ 51 ዓመት ጋዜጠኛ ክሪስ ኩሞ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ውሳነ ሲኤንኤን ከምዘሕዘኖን ምስቲ ትካል ዝነበሮ ጻንሒት ብኸምዚ ኩነታት ክዛዘም ድሌት ከምዘይነበሮን ተዛሪቡ። እቲ ጋዜጠኛ ካብ 2013 ጀሚሩ ምስ ሲኤንኤን ክሰርሕ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ካብቶም ኣዝዮም ዝፍለጡ ኣቕረብቲ ዜና ሓደ እዩ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ መረጻ ኣመሪካ’ውን ኣብ ግንባር ኮይኖም ካብ ዝመርሑ ጋዜጠኛታት ሓደ እዩ። መግለጺ ሲኤንኤን ከምዝብሎ፡ ክሪስ ኩሞ ፖለቲከኛ ሓዉ ካብ ዝቐረቦ ገበን ጾታዊ ትንኮያ ንምክልኻል እንታይ ተሳትፎ ከምዝነበሮ ንምጽራይ ኣዝዩ ፍሉጥ ናይ ሕጊ ትካል ቆጺሩ እዩ። እንተኾነ፡ እዚ ሕጋዊ ምርመራ ኣብ ዝካየደሉ እዋን፡ ኣብ መንጎኡ ሓድሽ ሓበሬታ ከምዝረኸበ ዝገለጸ እቲ ትካል ሚድያ፡ ነዚ ክውስን ከምዝተገደደ ገሊጹ። ክሪስ ኩሞ፡ ሓዉ ካብቲ ዝተመስረቶ ክሲ ነጻ ንክወጽእ ብድሕሪት ኮይኑ ሓጊዙ ዝብል ሓበሬታ ካብ ዝስማዕ ጀሚሩ ካብ ስራሕ ተኣጊዱ እዩ ጸኒሑ። ሲኤንኤን፡ ክሪስ ኩሞ ኣብቲ እዋን ዝነበረሉ ኩነታት ኣጽኒዑ፡ ንሱ ጉዳይ ስድርኡ ከምዘቐድምን እንተኾነ ነቲ ፖለቲከኛ ዝገበሮ ሓገዝ፡ ስነ ምግባር ጋዜጠኝነት ዝጥሕስ ከምዝኾነ ገሊጹ ነይሩ። ካብ ላዕለወይቲ ዓቃቢት ሕጊ ኒውዮርክ ሌቲሺያ ጀምስ ኣቢሉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ዝወጽአ ሰነድ፡ እቲ ጋዜጠኛ ሓዉ ካብ ገበን ንምክልኻል ዓቢ ተራ ከምዝተጻወተን ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት እቲ ሓው ዝሰርሐሉ ቤት ጽሕፈት ጸቕጢ ክፈጥር ከምዝፈተነን እዩ ዘርኢ። \"ንዓይ ክትኣምኑኒ ይግባእ\" ክብል ንጸሓፊት ሓዉ ሜሊሳ ዴሮሳን ናይ ስልኪ መልእኽቲ ዝሰደደ ኾይኑ፡ ወሲኹ ድማ፡ \"ዘይንወጽኦ ጌጋ ኢና ንፍጽም ዘለና\" ኢሉ። ኣብ ካልኦት መራኸቢ ብዙሃን ኣመሪካ ዝሰርሑ ንምዝርራብን ተመሳሳሊ ገበናት ክሲ ጾታዊ ትንኮያ ንምክትታልን ተመጻቢዑ ከምዝነበረ’ውን ተዛሪቡ። ንሰራሕተኛታት ሲኤንኤን ዝተጽሓፈን ኒውዮርክ ታይምስ ዝተመልከቶን ደብዳበ ፕረዚደንት ሲኤንኤን ጄፍ ዙከር፡ \"እዞም ውሳነታት ቀለልቲ ኣይኮኑን፤ ካልኦት ሕልኽልኽ ዝበሉ ጉዳያት’ውን ኣለዉ\" ኢሉ።","category":"መራኸቢ ብዙሓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59538085"} {"headline":"ድሕሪ ዝፈጸሞ ስርቂ ከይፈለጠ ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ኢንተርነት መንነቱ ዝቐልዐ ግብጻዊ","content":"ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ግብጺ፡ ንሓደ ከይፈለጠ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት መንነቱ ዘቃልዐ ግብጻዊ \"ምርኡይ ሰራቒ\" ክብሉ ይገልጽዎ ኣለዉ። ናይ ሓደ 'ዮም7' ዝተባህለ መርበብ ዜና ዝኾነ ጋዜጠኛ ዝኾነ ማሕሙድ ራገብ ብቐጥታ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ጸብጻብ ኣብ ዘመሓላለፈሉ ዝነበረ እዋን፡ ሓደ ሰራቒ ሞተርብሽክሌታ ተጠቂሙ ንእግረመገዱ ንቴለፎኑ መንዚዕዋ። እንተኾነ ግን እቲ 'ተዓዊተ' ኢሉ ሽጋራኡ እናትከኸ ዝሕንበብ ዝነበረ ጒሒላ፡ ከይተፈለጦ ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ብምእታዉ ገጹ ምስ ኣሽሓት ተኸታተልቲ ኣላልዩ። ብድሕሪ'ዚ ድማ ፓሊስ ኣብ ቁጽጽር ከእትውዎ ኪኢሎም። ብመሰረት ሓበሬታ፡ መርበብ ሓበሬታ ዮም7፡ እቲ ፍጻመ ኣብ ሓደ ኣብ ከተማ ሹብራ ኣል-ኻማይማ ዝርከብ ድልድል'ዩ ኣጋጢሙ። ኣብቲ እዋን እቲ ጋዜጠኛ ብዛዕባ ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ 6.2 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ'ዩ ዝጽብጽብ ነይሩ። ነቲ ዝነበሮ ድልድል እናስኣለ እንከሎ ድማ'ዩ ቴለፎኑ በቲ ስሙ ዘይተገልጸ ሰራቒ ተመንዚዑ። ካሜራ ናይታ ቴለፎን ምንቅስቓስ ምስ ኣቋረጸ ኸኣ ምስሊ ናይቲ ኣብ ኣፉ ሽጋራ ሒዙ ዝነበረ ዘይተጸበዮ ዝረኸበ ሰራቒ ንዓለም ኣቃሊዓቶ። ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሜድያ ግን፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ጋዜጠኛ ዝሓዝንሉ፡ ቀልጢፎም ብባህሪ ናይቲ ዘይዓጀቦ ሰራቒ ከምዝተገረሙ'ዮም ዝገልጹ ዘለዉ። ከምዛ ሓንቲ ዘይገበረ፡ ተረጋጊኡ ሽጋርኡ እናትከኸ ጉዕዝኡ ምቕጻሉ ዘይሓሰቦ ናእዳ ኣጥርይሉ። ሓደ ተጠቃሚ ፈይስቡክ፡ \"ብስሓቕ ሞይተ\" ብምባል ክገልጽ እንከሎ፡ ሓደ ካልእ ድማ፡ \"ዓለም ምሉእ እናርኣየካ\" እንታይ ንድሕሪት ምርኣይ ኣድለየካ ክብል ርእይቶኡ ሂቡ። ነታ ቴለፎን ክምንዝዓ እንከሎ ልዕሊ 20,000 ሰባት ነቲ ጸብጻብ ይከታተልዎ ነይሮም። ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ጥራይ ከኣ ዛጊት ልዕሊ 6.5 ሚልዮን ሰብ ነታ ኣብ ፈይስቡክ ዘላ ቪድዮ ተኸታቲልዋ ኣሎ። 45 ሽሕ ርእይቶታት ድማ ተዋሂቡዋ። ሕማቕ ዕድል ኮይኑ (ነቲ ሰራቒ)፡ ባዕሉ ገጹ ዘላለዮም ፖሊስ ንክረኽብዎ ብዙሕ ኣይተጸገሙን። ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣፍሊጡ። እቲ ሰራቒ \"ስራሕ ኣልቦ\" ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ሚኒስትሪ፡ ነታ ዝመንዝዓ ቴለፎን'ውን ድሮ ሸይጡዋ ከምዝጸንሐ ሓቢሩ።","category":"መራኸቢ ብዙሓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58988851"} {"headline":"‘‘ኣብ 43 መዓልታት ልዕሊ 7 ኪሎ ነክየ እየ ወጺአ’’ -ኢያስፔድ ተስፋዬ","content":"ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝጉስጉስን ኣብ ዝተፈላለየ መራኸቢ ብዙሃን ዝሰርሕን ኢያስፔድ ተስፋዬ ድሕሪ ናይ 47 መዓልቲታት ማእሰርቲ ቅድሚ መዓልቲታት ተፈቲሑ፡፡ ኢያስፔድ፡ ኣባል ሰልፊ ሰማያዊ ካብ ዝነበረሉ ኣትሒዙ ክሳብ እዚ ናይ ሕዚ 10 ግዘ ተኣሲሩ እዩ፤ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ክእሰር ግን እዚ ናይ ሎሚ ንፈለማ እዩ፡፡ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ መሓዙቱ ኣብ ዝመስረቶ ‘ኡቡንቱ’ ዝተባህለ ናይ ዩትዩብ ቴሌቪዥን እናሰርሐ ዝጸንሐ ኢያስፔድ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስተፈተሐ ምስ ቢቢሲ ቃለ መሕተት ኣካይዱ ኣሎ፡፡ ----------- ቢቢሲ፡ ኣብ ቤት ማእሰር ኣብ ዝነበርካሉ እዋን ሓሚምካ ከምዝነበርካ ካብ ቤተሰብካን መቕርባትካን ንሰምዕ ኔርና፤ ሕክምና ከምዘይረኸብካ እውን ከምኡ፡፡ እንታይ እዩ ኣጋጢሙካ ነይሩ? ኢያስፔድ፡ ከምዝፍለጥ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ቤት ማእሰርቲታት ኣብ ጸቢብ ቦታ ብዙሕ ሰብ እዩ ዝእሰር፡፡ብጉድለት ጽርየትን ብምትንፋስ ዝመሓላለፉን ሕማማት አለዉ፡፡ ብፍሉይ ድማ ቅድሚ ምእሳረይ ናይ ስኒ ሕክምና ጀሚረ ነይረ፡፡ እዚ ከምዝፍለጥ ከይዲ እዩ፡፡ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ሕክምና ምስጀመርኩ እየ ተኣሲረ፡፡ ንሱ ኣጸጊሙለይ ነይሩ፡፡ ናብ ዝሓሸ ሕክምና ክኸይድ ሓቲተ ኣይፈቐዱለይን፡፡ ኣብ ውሽጢ 43 መዓልቲታት ልዕሊ 7 ኪሎ ነክየ እየ ወጺአ፡፡ ቢቢሲ፡ ኣብቲ ዝተኣሰርካ መዓልቲ ብዛዕባ ዝነበሩ ኩነታት ውሱን ነገር ሰሚዕና ኢና፡፡እስኪ ብሓጺሩ ንገረና? ኢያስፔድ፡ ብኣጋጣሚ ኣብ ገዛይ እየ ነይረ፡፡ ኣብቲ ሰሙን ብዙሓት ይታኣሰር እናበሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ይጉስጉሱ ነይሮም፡፡ በዚ ምኽንያት ብዙሕ ምንቅስቓስ ኣይገብርን ነይረ፡፡ ብዙሓት ፖሊስ፣ ፖሊስ ፌደራልን መካይንን ነይሮም፡፡ ሓደ ከቢድ ገበነኛ ዝተሓዝ እዩ ዝመስል ነይሩ፡፡ ልክዕ ከምቲ ብዙሕ ሰብ ክተሓዝ ከሎ ዝግበር፡ ገዛይን ቤት ጽሕፈተይን ተፈቲሹ፡፡ ብዙሕ ዝተፈለየ ነገር ኣይነበረን፡፡ ቢቢሲ፡ በቲ ዝጠቐስካዮ ጎስጓስ እየ ተኣሲረ ኢልካ ዲኻ ትኣምን? ወይ ንምንታይ ከምዝተኣሰርካ ምኽንያት ተነጊሩካዶ? ኢያስፔድ፡ ብሓፈሻ ክልተ ግዘ ንምርመራ ተጸዊዐ ነይረ፡፡ መጀመርታ ኣብታ ዝተኣሰርኩላ መዓልቲ ካልኣይ ድማ ምስተኣሰርኩ ድሕሪ ሓደ ወርሒ፡፡ ኣብ ክልቲኡ መዓልቲታት ዝተነገሩኒ ነገራት ዝተፈላለዩ እዮም፡፡ መጀመርታ ሓደ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝፍለጥ ኣካውንት ኣሎ፤ ‘መረዳእታ ረኺብና፡ ናትካ ድዩ?’ ኢሎምኒ፡፡ ከረደኦም ፈቲነ ዝተቐበሉኒ ይመስለኒ፡፡ ድሕሪ 30 መዓልቲ ድማ፡ በዓል መዚ መራኸቢ ብዙሃን ዝሰረሖ ንክሲ መልዓሊ ዝኸውን ናይ ሚድያ ሞኒተሪንግ ሰነድ ልኢኹሎም ነይሩ፡፡ እቲ ዝገርም ምስ ወቕታዊ ጉዳይ ኣይተሓሓዝን፡፡ ሰለስተ ዓመት ንድሕሪት ተመሊሱ ኣብ መደብር ቴሌቪዥን ኣዲስ ኣብ ዝነበረ ናይ ክትዕ መድረኽ ዝተዛረብኩዎም ነገራት እዩ ዝዝርዝር፡፡ ከምቲ ዝጠርጠርኩዎ ምስ ህጹጽ እዋን ዝራኸብ ነገር የብሉን፡፡ ነቲ በዓል ሰልጣን መራኸቢ ብዙሃን ዝጸሓፎ ክሲ እየ መልሲ ሂበ፡፡ ንኣብነት ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ‘‘ናይ ህዝቢ ሶማል ባህሊ፣ መንነት ወዘተ ኣብ ኢትያጵያዊ መንነት ኣይተወከለን ኢሉ ኣብ ኣዲስ ቲቪ ብምዝራብ ሓደ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ካልእ ከለዓዕል ፈቲኑ እዩ’’ ዝብል ይርከቦ፡፡ ቅድሚ ከልተ ዓመት ኣብ ቢቢሲ ይመስለኒ ቀሪቡ ህዝቢ ንዓመጽ ከለዓዕል ፈቲኑ ዝብል 10 ገጽ ዝኸውን፣ ወቕታዊ ዘይኮኑን ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ጀሚሩ ዝተዛረብኩዎም ነገራት ተኣኪቦም ክሲ ብዝመስል መልክዕ ቀሪቦም፡፡ ብርግጽ ኣብ ቀረባ ዝተዛረብኩዎም እውን ወሲኾም እዮም፡፡ ብሓፈሻ ግን፡ ከምቲ ዝፍለጥ ናይቲ ዘሎ ፌደራላዊ ስርዓት ደጋፊ እየ፡፡ ንዕኡ ብዝምልከት ዝተዛረብኩዎም ነገራት እዮም ህዝቢ ምስ ህዝቢ ከም ምግጫው ዝረኣዩ፡፡ ቢቢሲ፡ ብምንታይ ምኽንያት ከ ተፈቲሕኻ? ኢያስፔድ፡ ፖሊስ ናይ መለለዪ መንነት (ታሴራ) ዋሕስ ዝብልዎ ኣሎ፤ ብእኡ እየ ተፈቲሐ፡፡ካብ በዓል መዚ መራኸቢ ብዙሃንን ካልኦትን ዝረኸብዎ መረዳእታ ክሲ ንምምስራት እኹል ዘይምዃኑ ስለዝተረድኡ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን፡፡ ክብደት ዘለዎ ነገር ስለዘይነበረ እየ ተፈቲሐ ኢለ ይኣምን፡፡ ቢቢሲ፡ ናይቲ ካብ መስረትቲ ሓደ ዝኾንካሉ ኡቡንቱ ቲቪ ዝወሰድዎ ንብረት መሊሶምዎዶ? ኣብ ቀረባ ናብ ስራሕ ናይ ምምላስ ትልሚ ኸ ኣለኩምዶ? ኢያስፔድ፡ ነቲ ሚድያና ፈቲሾምዎ ነይሮም፡፡ ኣቑሑቱ እውን ተወሲዶም እዮም፡፡ ከምዝፍለጥ ኣቁሑት ሚድያ ክባራት እዮም፡፡ ብዙሓት ካሜራታትን ኣቑሑትን ተወሲዶምና እዮም፡፡ ብቃለ ጉባኤ ተፈሪሙ ኣብ ቅድሚ መሰኻኽር እዮም ወሲዶምዎም፡፡ ዓቃቢ ሕጊ ድሕሪ ሕዚ ኣየደልዮምን፤ ናብ ዋነኦም ይመለሱ ምስበለ እዮም እቶም ኣቑሑት ዝምለሱ፤ ስለዝኾነ መስተፈታሕኩ ኣይረኸበኩዎምን፡፡ ፖሊስ ክምልሰልና ፍቓደኛ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን፡፡ እቲ ከይዲ ምስተወደአ ዝምለስ ይመስለኒ፡፡ እንተኾነ እቶም ኣቑሑት ተመለሱ ኣይተመለሱ፡ ሚድያና ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰለስተ መዓልቲ ክጅምር እዩ ኢለ ተስፋ ይገብር፤ ስራሕና ክንጅምር ኣብ ምንቅስቓስ አለና፡፡ ቢቢሲ፡ ኣብቲ ዝተኣሰርካሉ ጣብያ ክልኦት ጋዜጠኛታት ነይሮም ዶ? በዓል መን? ኢያስፔድ፡ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ተኣሲሮም ከምዘለዉ ኣብኡ እናሃለኹን መስተፈታሕኹን ሰሚዐ እየ፡፡ኣብቲ ኣነ ዝተኣሰርኩሉ ናይ ኤፒ ጋዜጠኛ ዝነበረ ኣሚር ኣማንን በዓል ሞያ ካሜራ ቶማስ እንግዳን ነይሮም፡፡ ሕዚ እውን ኣብ ማእሰርቲ ኣለዉ፡፡ ቢቢሲ፡ ከም ሓደ ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ዝከታተል፡ ንኲናት ኢትዮጵያ ዝምልከት ዘለዉ ለውጢታት ሓዊሱ ሐዚ ዘለዉ ፖለቲካዊ ሓቅታት ኣብቲ ምህዳር እንታይ ሒዞም ዝመጹ ይመስለካ? ኢያስፔድ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስለዝጸናሕኩ ዘይበሰለን ዘይምጥንን ትንታነ ከይህብ ስለዝሰግእ ሓንቲ ነገር ጥራሕ ከብል፡፡ ነቲ ኲናት ብዝምልከት ኣብ መስከረም ሓደ እንታይ ክመጽእ ይኽእል ዝብል ግምታዊ ሓሳብ አቐሚጥና ኔርና፡፡ ካብቶም ዘቐመጥናዮም ክልቲኦም ኣካላት ኣብ ኲናት ብዝጸንሑ ቁጽሪ እናዘሓሉ ክኸዱ እዮም ዝብል ሓደ እዩ፡፡ ኲናት ቁጠባን ህይወትን ዝበልዕ ኣድካሚ ነገር እዩ ኢልና ኔርና፡፡ ክልቲኦም ወገናት ምስሃድኡ ናብ ዘተ ክመጹ እዮም ኢልና ኔርና፤ ሐዚ ናብዚ ምዝሕሓል ዝኸዱ ዘለዉ ይመስለኒ፡፡ ክልቲኦም ወገናት ከም ግዘ መግዝእን ሓይሊ መአከብን ከምዘይጥቀሙሉ ተስፋ ይገብር፡፡ ብአግባቡ ከምዝጥቀሙሉ እውን ተስፋ ይገብር፡፡ በቲ ዘሎ ነገር ሕጉሳት ዘይኮኑ ኣካላት ከምዘለዉ ይስመዐኒ፡፡ ካብቲ ዝበጸሐን ንቕድሚት ዝበጽሕን ዕንወት እቶም ሐዚ ዝውሰዱ ስጉምቲታት ዝሐሹ እዮም፤ ክበረታትዑ ኣለዎም ኢለ እውን ይሓስብ፡፡ ኣፍቲ ዝተጀመረ ምድላው ዘተ ትኹረት እንተዝግበር ጽቡቕ ይመስለኒ፡፡","category":"መራኸቢ ብዙሓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60101503"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ጋዜጠኛታት ኣበይ ይርከቡ?","content":"ሲፒጄ ዝተበሃለ ዓለምለከ ተጣባቒ መሰላት ጋዜጠኛታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ኣብ ትሕቲ ሳህራ ካብ ዝርከባ ሃገራት ብኻልኣይ ደረጃ ከምዝተሰርዐት ኣፍሊጡ ነይሩ። ኣብ ጽባሕ እቲ ጸብጻብ ድማ ሰለስተ ጋዜጠኛታት ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብኣባላት ጸጥታ ተኣሲሮም። መስራቲ ’ኡቡንቱ’ ዝተባሃለ ብዩቱዩብ ዝፍኖ ምድላው፡ እያስፔድ ተስፋዬ ቅድሚ ኩሎም ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ኮይኑ፡ ብ28 ሕዳር 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ካብ መንበሪ ገዝኡ ከምዝተወሰደ ወላዲት ኣዲኡ ንቢቢሲ ተዛሪባ ነይራ። ስዒቡ መስራትን ዋና ኣሰናዳእን ‘ተራራ ኔትወርክ’ [ብዩቱዩብ ዝፍኖ] ታምራት ነገራ 01 ታሕሳስ 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ካብ መንበሪ ገዝኡ ከምዝተወሰደ በዓልቲ ቤቱ ሰላም በላይ ንቢቢሲ ምግላጻ ይዝከር። ሳልሰይቲ ጋዜጠኛ ከኣ መዓዛ መሓመድ ትበሃል ኮይና ብ02 ታሕሳስ 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ካብ እንዳወለዳ ከምዝተወሰደት ዓባይ ሓፋታ ኣገኘሁወርቅ ኣበበ ንቢቢሲ ሓቢራ። ኩሎም ጋዜጠኛታት ኣብ ሰዓታት ረፋድ ካብ መንብሪ ገዝኦም ዝተወሰዱ ኮይኖም ገዛውቶምን ዝሰርሑሉ ቦታን ተፈቲሾም’ዮም። ናይ ኮምፒተራት ‘ሃርድ ዲስክ’፣ መቕድሒ ድምጺ ናውቲ ከምኡ’ውን ካሜራታት ብፖሊስ ከምዝተወሰዱ ድማ ቤተሰቦም ሓቢሮም። ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ ትማሊ ሰኑይ [12\/14\/2021] ናብ መጋባእያ ቀሪቡ “ተፈቲሑ” ዝተባሃለን ጋዜጣኛ ኣሃዱ ሬድዮ ክብሮም ወርቁ ዝርከቦም ኣርባዕቲኦም ጋዜጠኛታት ኣበይ ይርከቡ ይኾኑ? ታምራት ነገራ መስራትን ዋና ኣሰናዳእን ተራራ ሚድያ ጋዜጠኛ ታምራት ኣብ ቀይዲ ካብ ዝወዓለሉ መዓልቲ ጀሚሩ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ መዓልታት፤ ኣበይ ከምዝርከብ ከምዘይፈልጡን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እንተሓተቱ’ውን ሃለዋቱ ዘረጋግጸሎም ኣካል ከምዘይረኸቡ በዓልቲ ቤቱ ሰላም ንቢቢሲ ገሊጻ። ኣብቲ መዓልቲ ዝወሰድዎ ሰባት ደንቢ ክዳን ፌደራል ፖሊስ ዝተኸደኑ ከምዝነበሩ ዘዘኻኸረት ሰላም፡ ናብ ቤት ዕዮ ምርመራ ገበናት ፌደራል ፖሊስ ከምኡ’ውን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ከይዶም እንተሓተቱ’ውን “ኣብዚ ኣሎ” ዝብሎም ከምዘይረኸቡ ሓቢራ’ላ። ምስ ፖሊስ ኦሮሚያ ከምዝርከብ ዝገልጽ ሓበሬታ ስለዝበጽሓ ድማ ቀዳምን ሰንበትን ናብ ኩለን ኣብ ዙሪያ ፊንፊኔ [ኣዲስ ኣበባ] ዝርከባ መደብራት ፖሊስ ከምዝበጽሑን ክረኽብዎ ከምዘይከኣሉን ተዛሪባ። “ ’ናብዚ ኪዱ፤ ኣብቲ ኣሎ’ ካብ ዝብል ዘረባታት ወጻኢ ዝተፈጠረ ነገር የለን” ኢላ። መንግስቲ ሕቶ እንተሃልይዎ ‘ስለምንታይ ወሲዱ ይሓትት?’ ዝብል ተቓውሞ ከምዘይብላ እትገልጽ ሰላም፡ በዓል ገዝኣ’ውን ኣብ ቀይዲ ክውዕል ከሎ ሕጋውያን ሰባት እዮም መጺኦም ብዝብል ብዘይገለተቓውሞ ተሲኡ ከምዝኸደ ኣረዲኣ። “ሒዞምዎ ክኸዱ ከለዉ ምርኣይን ኣበይ ከምዘሎ ደሃዩ ዘይምፍላጥን ንኣባላት ቤተሰብ ዝኸብድ ነገር’ዩ። ነቶም ዝወሰድዎ ሰባት’ውን ናበይ ከምዝወሰድዎ ክንሓቶም ከለና ‘ኣይንፈልጥን’ ኢሎምና። ንሓንቲ ኣደ ወዳ ብኣካላት ጸጥታ እናተወሰደ ናበይ ከምዝተወሰደ ዘይምዝራብ እንታይ ማለት’ዩ?” ትብል። ኩሉ አባል ቤተሰብ ዘኣብ ጭንቀት ከምዝርከብ ብምግላጽ፡ ናብ ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ካልኦት ዝምልከቶም ትካላትን ደብዳበ ከምዘእተዉ ወሲኻ ሓቢራ። ደሃይ በዓልቤታ ክሳብ እትረክብ እተካይዶ ኣለሻ ከምዘይተቋርጾ ዝተዛረበት ሰላም “ኣሎ ናብ ዝበሃለሉ ቦታ ኮነ ናብቶም መጀመርታ ዝወሰድዎ ኣካላት ሕጊን ምኻድና ደው ኣይክነብልን” ኢላ። ሓገዝ ንምርካብ ድማ ጸቕጢ ክፈጥሩ ይኽእሉ ናብ እትብሎም ትካላት መንግስቲን ማዕኸናት ዜናን ብምኻድ ነቲ ዘሎ ኩነታት ካብ ምዝራብ ከምዘይተዕርፍ’ውን ንቢቢሲ ኣፍሊጣ። “ንመንግስቲ እንሓቶ ሕቶ ግን፤ ‘ምጽራይ ምግባር ግቡኡ’ኳ እንተኾነ፤ ዝርከበሉ ቦታ ምሕባር፤ ኣዶ ንውላዳ መግብን ክዳንን ክተቐብል፤ በዓል ገዛይ ደሃዩ ምሕታት ድማ ናትና መሰል’ዩ። ብህይወት ኣሎ’ዶ? እንተሃልዩ ኣበይ? ብህይወት ምህላዉ ክፈልጥ እደልይ እየ። እንተዘይሃልዩ ድማ ብግልጺ ከፍልጡኒ እደልይ እየ” ክትብል ትሓትት ሰላም። ክብሮም ወርቁ ጋዜጠኛ ክብሮም ኣብ ኣሃዱ ሬድዮ ዋና ኣሰናዳኢ ክፍሊ ዜና ኮይኑ፡ ብዘቕርቦ ካልእ መዘናግዒ ናብ ሬድዮ ፕሮግራም’ውን ይፍለጥ። 16 ጥቅምቲ 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ “ናዕብን ጎንጽን ብምልዕዓል” ብዝብል ገበን ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓለ ይግለጽ። ንሱ ኣብ ቀይዲ ዝወዓለ “ከተማ ሃይቅ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ትግራይ ኣትያ” ብዝብል ኣብቲ መደበር ሬድዮ ሓበሬታ ብዝርግሑ ነይሩ። ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ደሃይ ወዶም ከምዘይፈልጡ ንቤት ፍርዲ ንዝተዛረቡ ወላዲ ኣቡኡ ብስልኪ ረኺብናዮም ኔርና። ክብሮም ፈለማ ኣብቲ ብልምዲ ‘ሶስተኛ’ ብዝብል ዝፍለጥ መደብር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ኮይኑ፡ ሽዑ ክሓትዎ፣ ሰላም ክብልዎን መግቢ ከብጽሑሉን ይፍቀደሎም ምንባሩ ይዛረቡ። ቤት ፍርዲ ብ09 ሕዳር 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ ብ15 ሽሕ ብር ዋሕስ ከምዘሰናበቶን ንሶም ነቲ ገንዘብ ከምዝኸፈሉን ዝሓበሩ ወላዲኡ ኣይተ ወርቁ፡ ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ክፍታሕ እንተተጸበዩ’ኳ ከምዝሓሰብዎ ግን ኣይኮነን። ሽዑ ንሶም ነቲ መጋባእያ ጥርዓን ኣብ ዘቕረቡሉ እዋን፡ ፖሊስ ብወገኑ ይግባይ ከምዝሓተተ ነቲ መጋባእያ ብምግላጹ ወዶም ኣብ ማእሰርቲ ክጻንሕ ከምዝተገበረ ይዛረቡ። ነቲ ጉዳይ ዝረኣየ መጋባእያ ፖሊስ ንዘቕረቦ ይግባይ ውድቂ ብምግባር “ይፈታሕ” ዝብል ብይን እንተሃበ’ውን ወዶም ግን ከምዘይተፈትሐ ወሲኾም ሓቢሮም። “ምስኣዘራረብናዮም ክፍታሕ ምዃኑ ሓቢሮምና። ንኽፍታሕ ታሴራይ ሂበዮም። ዝፍረም ነገራት ፈሪመ። ‘ኣብ ደገ ተጸበይ ኢሎምኒ’፤ ግን ከኣ ብሚኒባስ ሒዞምዎ ከይዶም” ክብሉ ነቲ ኩነታት ኣረዲኦም። ብድሕሪ’ዚ ኣባላት ቤተሰቡ ‘ኣካል ነጻ ናይ ምውጻእ ክሲ’ ናብ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ፍርዲ ፌደራል ከምዘእተዉን እቲ መጋባእያ ንጥርዓኖም ውድቂ ገይሩ ምንባሩን ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሔን ነይረን። ነቲ ክሲ ብይግባይ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሒዞምዎ ብምኻዶም ድማ ትማሊ ሰኑይ [12\/14\/2021] ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ፡ ፖሊስ ንምንታይ ንክብሮም ከምዘይፈትሖ ከብርህ ተሓቲቱ ነይሩ። ፖሊስ ብጽሑፍ ሒዝዎ ኣብ ዝቐረበ መልሲ፤ ‘ንክብሮም ብ09 ሕዳር 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ፈቲሐዮ እየ’ ክብል’ዩ ገሊጹ። ወላዲኡ ኣይተ ወርቁ ብወገኖም ፖሊስ ነዚ ይበል እምበር ንወዶም ከምዘይረኸብዎን ካብ ዝሪእይዎ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ከምዝኾኖምን ነቲ መጋባእያ ኣረዲኦም። ብድሕሪ’ዚ ናብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ኮሚሽን ሓባሲ ንብዓትን ብምኻድ ጉዳይ ወዶም ከምዘመልከቱን ክሳብ ሎሚ ዝኾነ ምላሽ ከምዘይረኸቡን ንቢቢሲ ተዛሪቦም። “ክብሮም ናይ ልቢ ሕክምና መጥባሕቲ ገይሩ ነይሩ። ድቃስ ኮነ ኣመጋግብኡ ጥንቃቐ ብዝተመልኦ ኩነታት ክኸውን ኣለዎ። ካብ ሎሚ ንደሓር ተስፋና ኣብ ፈጣሪ ጥራሕ’ዩ” ኢሎም። እያስፔድ ተስፋዬ ጋዜጠኛ እያስፔድ ኣብ ቀይዲ ዝወዓለሉ መዓልቲ፡ ፖሊስ ናብቲ ‘ኡቡንቱ’ ብዝብል ዝፍለጥ ሚድያ ዝርከበሉ ቤት ጽሕፈት ሒዝዎ ከምዝኸደን ፈተሻ ተኻይዱ ድማ ካሜራታትን ካልኦት ዝተፈላለዩ ናውትን ከምዝተወሰዱ መሳርሕቱ ንቢቢሲ ተዛሪቦም ነይሮም። ንሱ ‘ሶስተኛ’ ኣብ ዝበሃል መደበር ፖሊስ ከምዝርከብን ገለ ኣዝማዱ ብሰንበት ከምኡ’ውን ሰሉስ ከምዝረኣይዎ ተፈሊጡ’ሎ። ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣትው ሸውዓተ መዓልታት ዝተቖጸሩ ኮይኖም፤ ክሳብ ሎሚ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቐረበ ቤተሰቡ ይገልጹ። ጠበቓ ከቑሙሉ ጻዕሪ እንተገበሩ’ውን “ምስ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ስለዝወዓለ ጠበቓ ክቖመሉ ከምዘይክእል” ከምዝተነበሮም ሓቢሮም። መዓዛ መሓመድ ጋዜጠኛ መኣዛ መሓመድ ኣብ ቀይድ ድሕሪ ምእታዋ ኣብ መንበሪ ገዝኣን ትሰርሓሉ ቦታን ፈተሻ ከምዝተኻየደ ቤተሰባ ንቢቢሲ ገሊጾም ኣለዉ። ካብ ዝምስረት ነዊሕ ዘይጸንሐን ክሳብ ሎሚ ክልተ ቪድዮታት ጥራሕ ኣብ ዩቱዩብ ዝዘርግሐን ‘ሮሃ’ ዝተባሃለ ብመዓዛ ዝተጣየሸ ሚድያ፡ ናይ ኮምፒተራት ‘ሃርድ ዲስክ’ን ካልኦት ናውትን ብፖሊስ ተወሲዶምዎ’ለዉ። ሓዋ ዩሱፍ መሓመድ ከምዝበሎ፡ ቤተሰባት ብሰንበት ናብ ‘ሶስተኛ’ መደበር ፖሊስ ከይዶም ሓቲቶምዋ’ዮም። ‘ሰማያዊ ፓርቲ’ ብዝብል ዝፍለጥ ፖለቲካዊ ሰልፊ ክሳብ ዝፈረሰሉ እዋን ብኣባልነት ተሳትፎ ከምዝነበራ ዝዛረብ ዩሱፍ፡ ብድሕሪኡ’ውን ፖለቲካዊ ተሳትፎ ከምዝነበራ ኣረዲኡ። ካብኡ ቀጺሉ ድማ ኣባይ ሚድያ ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ [ናይ ዩቱዩብ ቻነል] ከምዝተጸምበረት ተዛሪቡ። “ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ ኣብ ግብረ-ሰናይ ስራሕቲ እምበር ኣብ ሚድያ ብዙሕ ኣይትሳተፍን ነይራ። ናብቲ ሕዚ ዝተኣሰረትሉ መደበር ፖሊስ ቅድሚ ምእታዋ እናኸደት እሱራት ትበጽሕ ነይራ። ኲናት ምስተወለዐ ከኣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ግዳይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ንዝኾና እናረኸበት ተዘራርበን ነይራ። ረድኤት ኣብ ምብጻሕ ተጸሚዳ’ያ ጸኒሓ” ክብል ነቲ ዝነበረትሉ ኩነታት ገሊጹ። መዓዛ ክሳብ ሎሚ ጠበቓ ከምዘይቆመላን ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረበትን ዝዛረብ ሓዋ፡ ኣደ ቆልዓን ንስድራ እትጥውርን ብምንባራ ማእሰርታ ንሙሉእ ቤተሰብ ከምዝጸለዎ ሓቢሩ። ብወገን መንግስቲ ግን ንማእሰርትን ኩነታትን እቶም ጋዜጠኛታት ብዝምልከት ዝተወሃበ መብርሂ የለን። ሲፒጄ እንታይ በለ? ንመሰላት ጋዜጠኛታት ኣብ ዝጣበቕ ዓለምለኻዊ ትካል ሲፒጄ፡ ወኪል ሃገራት ትሕቲ ሳህራ ዝኾነት ሙቱኪ ሙማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዙሓት ኣብ ዩቱዩብ ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ከምዝተኣሰሩ ዝሕብሩ ጸብጻባት ከምዝበጽሖምን እቲ ጉዳይ ዘሰንብድ ከምዝኾነን ንቢቢሲ ገሊጻ። “ነቶም ሓበሬታታት ንምርምሮም ኣለና። ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ምእዋጅ ንጋዜጠኛታት ዒላማ ዝገብሩ ኮይኑ፤ ኣብዚ ቅነ ንዕዘቦ ዘለና’ውን ምስዚ ዝኸይድ’ዩ። ሰበስልጣን ነቶም ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ክፈትሑን እቲ ‘ብዙሓት ጸገማት ዘለውዎ ሕጊ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ’ ናጽነት ፕረስ ንምግዳብ ምጥቃም ደው ከብሉን ጻውዒትና ነቕርብ” ኢላ። ወሲኻ ድማ መንግስቲ ድሕንነት ዜጋታቱ ውሑስ ናይ ምግባር ብቐዳምነት ዝስራዕ ሓላፍነት ከምዘለዎን ጋዜጠኛታት ከኣ ስርሖም ኣብ ዝሰርሑሉ እዋን ከለላ ክግበረሎም እምበር መጥቃዕቲ ክበጽሖም ከምዘይግባእን ተዛሪባ። “እንተኾነ ጋዜጠኛታት እውን ስርሖም ኣብ ዝሰርሑሉ እዋን ናይ ሓደጋ ዳህሳስ ከካይዱ ከምኡ’ውን ነነብሶም ኮነ ንምንጪታቶም ካብ ሓደጋ ንምክልኻል ዘኽእሉ ጥንቃቐታት ክገብሩ ኢና ነተባብዕ” ኢላ። ነዚ ድማ ሲፒጄ ኣብ ድረ-ገጹ [‘ዌብሳይት’] ንጥንቃቕ ዝሕግዙ ሓበሬታታት ከምዘዳለወን ናብ ቋንቋታት ኢትዮጵያ ከምዝተተርጎመን ሓቢራ። “ጋዜጠኛታት ክንእሰር ኢና ዝብል ስግኣት እንተሃልይዎም ከኣ ናትና ሰብሞያ ከዘራርብዎም ይኽእሉ እዮም” ክትብል ገሊጻ።","category":"መራኸቢ ብዙሓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59658596"} {"headline":"ፖሊስ ኬንያ ነቲ ምስ ቅትለት ዘተሓሓዝዎ ሞት ብሪጣንያዊት ሰራሕተኛ ቢቢሲ ይምርምርዎ ኣለዉ","content":"ፖሊስ ኬንያ፡ ንጉዳይ ናይታ ኣብ ናይሮቢ ሞይታ ዝተረኽበት ሰራሕተኛ ቢቢሲ ይምርምርዎ ከምዘለዉ ተፈሊጡ። ብሪጣንያዊት ኬት ሚሸል፡ ኣባል 'ቢቢሲ ሜድያ ኣክሽን' ብምዃን ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ተመዲባ ዝሰርሕት ኮይና፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ'ያ ሞይታ ተረኺባ። ቢቢሲ ሜድያ ኣክሽን ኣካል ቢቢሲ ኮይኑ ኣብ ናይ ግብረሰናይ ንጥፈታት ዝነጥፍ ትካል'ዩ። ቀንዲ ኣድህቦኡ ድማ ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሃን (ሜድያ) ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዘይምዕሩይነት ምውጋድ'ዩ። ሞት ናይታ ኣብ ሓደ ሆቴል ዝተረኽበት ኬት ሚሸል ግን ምስቲ እተካይዶ ናይቲ ትካል ስራሕ ዝተኣሳሰር ከምዘይኮነ'ዩ ዝጥርጠር። ዋላ'ኳ ዛጊት ብዛዕባ ኩነታት ኣማውትኣ ዝተረጋገጸ እንዘየለ፡ ፖሊስ ቅትለት'ዩ ብምባል፡ መበገሲኡ ንምፍላጥ መርመራ የካይዱ ከምዘለዉ ንማዕከናት ዜና ኬንያ ሓቢሮም ኣለዉ። \"እቲ ጥርጡር . . .ናይቲ ሆቴል ሓለውቲ ጸጥታ ዝመጽዎ መሲልዎ፡ ካብ ሻምናይ ደርቢ ናይቲ ሆቴል ብመስኮት ዘሊሉ\" ክብል ኣዛዚ ዞባዊ ፖሊስ ናይሮቢ ኣጎስቲን ንቱምቢ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ። ኬት ሚሸል፡ ኣብ ዝቐረባ እዋን ኣብታ ርእሰከተማ ኢትዮጵያ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቢቢሲ ሜድያ ኣክሽን ክትሰርሕ ዝጸንሐት'ያ። \"በዚ ዘሕዝን ዜና ኩላትና ሰንቢድናን ጒሂናን ኣለና\" ክብል ዋና ኣካያዲት ናይቲ ትካል ካሮሊን ነርሲ ገሊጻ። \"ኬት፡ ላዕለወይቲ ሓላፊት ፕሮጀክት ዝነበረትን ምሳና ን14 ዓመት ዝሰርሐትን ፍትውቲ ኣባልና'ያ ነይራ። ኣብ ትካልና ምሉእ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ዛምቢያን ለንደንን ጽቡቕ ተፈላጥነት ዝነበራ'ያ\" ክትብል እታ ዋና-ኣካያዲት ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ጠቒሳ። \"ንስድራቤታን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ብዙሓት መሓዙታን ጽንዓት ይሃብኩም ንብል\" ድማ ኢላ። ሓዋ ፒተር ብወገኑ \"ኬት፡ ኣዝያ ፍትውቲ ውላድ፡ ሓፍቲን መሓዛን እያ ነይራ። ንዓኣ ምስንኣና ዘለዎ ክብደት ብሕጂ'ዩ ክርድኣና ዝጅምር ዘሎ። \"ኩነታት ኣማውትኣ ክሳብ ሕጂ ኣብ መርመራ'ዩ ዘሎ፡ ስለዚ ኣብ ገለ ክፋል ሜድያን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዝውረ ዘሎ ግምታት ሸለል ክትብልዎ ንምሕጸነኩም። \"ንኬት ምስንኣና ኣብ ዓቢ ሓዘን ብምህላውና ተረዲኡ ኩሉሰብ ንብሕታውነትና ከኽብር ንሓትት\" ኢሉ።","category":"መራኸቢ ብዙሓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59371007"} {"headline":"ኣብ 'ቲክ ቶክ' 100 ሚልዮን ሰዓብቲ ዘፍረየት ፈላሚት ጓል 16 ዓመት ኣመሪካዊት","content":"ኣመሪካዊት ጓል 16 ዓመት ቻርሊ ዲ'ኣሜሊዮ ኣብ ዓለም ንፈለማ 100 ሚልዮን ሰዓብቲ ዘፍረየት ተጠቃሚት ማሕበራዊ መራኸቢ 'ቲክ ቶክ' ክትኸውን በቒዓ። ቻርሊ ኣብ ኖርዎክ ኣመሪካ እትነብር ኮይና ተጠቃሚት 'ቲክ ቶክ' ካብ እትኸውን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመትን ፈረቓን እያ ዝለዓለ ብዝሒ ሰዓብቲ ክተፍርይ ዝኸኣለት። ንሳ ኣብ ናይ ዩ ቱዩብ ቪድዮ ብዘርኣየቶ ባህርያት ኣዘራራቢት ካብ ምዃና ብዝሰገረ ንብዙሓት ከም ዘቖጠዐት ይግለጽ። ብፍላይ ኣብ ሓደ ምስ ስድርኣ ኮይና እተዳልዎ 'ዲነር ዊዝ ዘ ዲ ኣሜሎስ' [ድራር ምስ እንዳ ደ ኣሜሊዮስ] ዝብል ተኸታታሊ ምርኢት፤ ኣብ ቀዳማይ ክፋሉ ነቲ ኣብ ገዝኦም መግቢ ዘዳልው በዓል ሞያ ምድላው መግቢ ክብሪ ብዘይምሃባ ንብዙሓት ኣቖጢዑ'ዩ። ተቓውሞኦም ብተግባር ክገልጹ ዝደለዩ ልዕሊ 600 ሽሕ ኣድነቕታ ድማ ንዓዓ ምስዓብ ኣቋሪጾም ማለት 'ኣንፈሎው' ገይሮምዋ። አንተኾነ ዲ ኣሜሊዮ ንዝፈጸመቶ ተግባር ይቕሬታ ብምሕታትን ነቲ ባህርያት ከምዘይትደግሞን ዝገልጽ ሓደ ቪድዮ ሰሪሓ ምስ ዘርግሐት ቁጠዐ ሰዓብታን ኣድነቕታን ክሃድእ ክኢሉ። ነቲ ሕዚ ዘመዝገበቶ ክብረወሰን ከኣ ብትዊተር ኣብ ዝጠቀዐቶ መልእኽቲ ንኣድነቕታ ኣመስጊና'ላ። \"100 ሚልዮን ሰባት ሓጊዞምኒ. . . ብሓቂ እዚ ክውን ክኸውን ከም ዝኸኣለ ክኣምን ኣይከኣልኩን\" ክትብል ዝተሰምዓ ገሊጻ። ጓል 16 ዓመት ቻርሊ ልክዕ ከምቲ ካልኦት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ቪድዮ ዝገብርኦ\/ዎ ንሳ'ውን ኣብ መደቀሲ ክፍላ እናደነሰት ዘርእዩ ቪድዮታት'ያ ትፍንው። ኣብቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ኮነ ብደገ ዘለዋ ህቡብነት ከኣ ብፍላይ ካብ ዝሓለፈ ዓመት እናወሰኸ መጺኡ። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ድማ 50 ሚልዮን ሰዓብቲ ዘፍረየት ፈላሚት ተጠቃሚት 'ቲክ ቶክ' ኮይና። በዚ ምኽንያት ኣብ 2019 'ስታርዶግ ኤንድ ቱርቦካት' ኣብ ዝብል ናይ ኣኒሜሽን ፊልም ብድምጺ ክትሳተፍ ዕድል ረኺባ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዓለም ፍሉጣት ምስ ዝኾኑ ['ብራንድ'] ናይ ፋሽንን ሜክኣፕን ትካላት ሓቢራ ክትሰርሕ ኪኢላ'ያ። 'ቻርሊ፡ ዘ ኣልቲሜት ጋይድ ቶ ኪፒንግ ኢት ሪል' ዝብል ርእሲ ዝሃበቶ መጽሓፋ ከኣ ኣብ መዛዘሚ 2020 ናብ ኣንበብቲ ክዝርጋሕ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ። ፎርብስ ከም ዝብሎ እንተኾይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ካብ ዝፈረመቶም ስምምዓት ስራሕ ኣስታት 4 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ረኺባ ነይራ።","category":"መራኸቢ ብዙሓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55054409"} {"headline":"ናጽነት ፕረስ፡ ኢትዮጵያ ካብተን ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት ዝወሰኸለን ሃገራት ምዃና ሲፒጄ ገሊጹ","content":"ኣብዚ ዓመት ብደረጃ ዓለም ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ብርክት ዝበሉ ጋዜጠኛታት ከምዝተኣሰሩ ተሓላቒ መሰላት ጋዜጠኛታት ሲፒጄ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። ብዛዕባ ለበዳ ኮቪድ-19፣ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ዝጽብጽቡ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ከም ዝተኣሰሩ እቲ ትካል ገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ብዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ወተሃደራዊ ግጭትን፡ ብርክት ዝበሉ ጋዜጠኛታት ከም ዝተኣሰሩ ዝገልጽ ሲፒጄ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓደ ጋዜጠኛ ተኣሲሩ እኳ እንተነበረ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ብውሑዱ ሸውዓተ ጋዜጠኛታት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ጠቒሱ። \"ኣብ እዋን ለበዳ መንግስታት ንመስርሕ ፍርዲ ኣዳነጉዮሞ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝግበር ምብጻሕ ተደሪቱ፡ ኣብ ማእሰርቲ ዘሎ ሓደጋ ጥዕና ሸለል ተበሂሉ\" ዝበለ እቲ ማሕበር፡ በዚ ምኽንያት ብውሑዱ ክልተ ጋዜጠኛታት በቲ ቫይረስ ከም ዝሞቱ ሓቢሩ። ክሳብ ወርሒ ሕዳር 2020 ድማ ብውሑድ 274 ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም'ዮም። ኢትዮጵያን ቤላሩስን፡ ብዝሒ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት ወሲኹ ዝተራእየለን ሃገራት ኮይንነ ኣለዋ። ካብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ፣ ካሜሩን፣ ብሩንዲ፣ ማሊ፣ ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን ብሓፈሻ 45 ጋዜጠኛታት ኣሲረን ኣለዋ። ኣብዚ ዞባ ቁጽሪ ኣብዚ ዓመት ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ከምዝወሰኸ ይግለጽ። ኣብ ቤላሩስ'ውን ቁጽሪ ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ወሲኹ ከምዘሎን፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕሬዝደንት ዳግም ድሕሪ ምምራጹ ብዝተላዕለ ተቓውሞ ዝተኣስሩ ከምዘለዉ እቲ ጸብጻብ ይሕብር። ኣብታ ሃገር ክሳብ 22 ሕዳር ብውሑድ 10 ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም ኣለዉ። ብዙሓት ጋዜጠኛታት ዝኣሰራ ሃገራት ቻይና፡ ለበዳ ኮቪድ-19 ዝምልከት ጸብጻባት ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ንተኸታታሊ ክልተ ዓመት ብዙሓት ጋዜጠኛታት ዝኣሰረት ሃገር ኮይና ተመዝጊባ ኣላ። ኣብታ ሃገር 47 ጋዜጠኛታት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉን፡ መብዛሕትኦም ንነዊሕ እዋን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑን ምኽንያት መእሰሪኦም ከይተገለጸ ዝተኣሰሩ ምዃኖምን ይግለጽ። ቱርኪ፡ ብዋሕስ ዝተፈትሑ ጋዜጠኛታት ንፍርዲ ብምቕራብ ከምኡ'ውን ሓደስቲ ብምእሳር ካልአይቲ ኮይና ኣላ። ቱርኪ ኣብዚ ዓመት ጥራይ 37 ጋዜጠኛታት ኣሲራ። ምስቲ ኣብ 2008 (2016) ምስ ዝነበረ መጠን ማእሰርቲ ክነጻጸር እንከሎ ብፍርቂ ዝነከየ'ኳ እንተኾነ፡ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ሕጂ'ውን ጋዜጠኛታት ይኣስሩ ምህላዎም ይግለጽ። ግብጺ፡ ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ክሲ ገበን ጋዜጠኛታት እትኣስር ሃገር ተባሂላ ኣለ። ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት 27 ከምዝበጽሐን፡ ማዕረ ናይቲ ኣብ 2008 (2016) ዝተመዝገበ ዝመዓራረ ኮይኑ'ሎ። ኣብታ ሃገር ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝፍጸም ማእሰርቲ ይቕጽል ኣሎ ክብል ሲፒጄ ገሊጹ። ስዑዲ ዓረብ'ውን ንግብጺ ብምስዓብ ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊራ ኣላ። ኢትዮጵያ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ኣብ 7ይ ደረጃ ክትስራዕ እንከላ፡ ኤርትራ ድማ ኣብ መበል 16 ተሰሪዓ ትርከብ። ብደረጃ ዓለም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ሞንጎ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት እቶም ክልተ ሲሶ፡ ብሽበራን ኣብቶም ብሕጊ ዝተኸልከሉ ጉጅለታት ኣባልነት ኣለኩም ብዝብልን ዝተኸሰሱ ምዃኖም ሲፒጄ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ጠቒሱ።","category":"መራኸቢ ብዙሓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/55317535"} {"headline":"ስድራ-ቤት፡ ሓዳሮም ዘፍረሱ ሓሙሽተ ቢልዮነራት ዓለምና","content":"ኣሜሪካዊ ቢልዮነር ቢል ጌትስ፡ ምስ ሚሊንዳ ጌትስ መስሪትዎ ዝነበረ ሓዳር ድሕሪ 27 ዓመታት ንክፋትሑ ከምዝተሰማምዑ ተገሊጹ ምንባሩ ይፍለጥ። ኣብ 1980፡ ሚሊንዳ ናብቲ ናይ ቢልጌትስ ትካል ማይክሮሶፍት ኣብ ዝተፀንበረትሉ እዋን እዩ፡ ክልቲኦም መፃምዲ ተራኺቦም። ቢልዮነር ቢል ጌት ብመገዲ ትዊተር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ \"ድሕሪ ብዙሕ ምሕሳብን ርክብና ንምምሕያሽ ምስራሕን፡ ሓዳርና ምፍራስ ዝሐሽ ኣማራፂ ገይርና ወሲድናዮ\" ኢሉ። እዞም ቢልየነራት መፃምዲ ኣብ ናይ 27 ዓመት ሓዳሮም ሰለስተ ቆልዑ ዝወለዱ እንትኾኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ሓገዝ ዝገብር 'ቢል ኤንድ ሚሊንዳ ጌትስ ፋውንዴሽን' ኣጣይሾም እዮም። 'ቢል ኤንድ ሚሊንዳ ጌትስ ፋውንዴሽን'፡ ዝተፈላለዩ ሕማማት ንምምካትን፡ ክታበት ንህፃናት ንምብፃሕን ብቢልየናት ዝቑፀር ዶላር ሰሊዑ እዩ። ብመሰረት መፅሄት ፎርብስ፡ ቢል ጌትስ ናይ ዓለምና ራብዓይ ቢልየነር እንትኾን፡ 124 ቢልየን ዝተፃረየ ሃብቲ ከምዘለዎ ይግለፅ። ዋላ'ኳ ምፍራስ ሓዳር እዞም መፃምዲ ንዓለም ዘዘራረበ ዓብይ ዜና እንተኾነ፡ ዘይተለመደ ነገር ግና ኣይኮነን። ቅድሚ ሕዚ'ውን ብዙሓት ቢልየነራት ሓዳሮም ብምፍራስ ሃፍቶም ተኻፊሎም እዮም። እስኪ ነቶም ውሑዳት ንርኣይ። ቀንዲ ሃፋትም ዓለምና ዝኾነ ጄፍ ቤዞስን በዓልቲ እንድኡ ማክኬንዚን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2019 እዮም፡ ሓዳሮም ከፍርሱ ተሰማሚዖም። ጄፍ ቤዞስ፡ ምስ በዓልቲ እንድኡ ማክኬንዚ ከምዝተፋትሑን ጉዳዮም ብስምምዕ ከምዝተዛዘመን፡ ብመገዲ ትዊተር እዩ ወግዓዊ ገይሩ። በዓልቲ ቤቱ ድማ፡ ብፅሒታ'ዩ ዝተብሃለ 35 ቢልየን ዳላር ተዋሂብዋ። ነዚ 35 ቢልየን ትቕበል ማክኬንዚ ከኣ፡ ኣብ ዝርዝር ሃፋትም ደቂኣንስትዮ ዓለም ክትስራዕ ዝገብር እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ማክኬንዚ፡ ካብቲ በዓል እንድኣ ቅድሚ 25 ዓመታት ዝመስረቶን ኣብ ዓለም ቁፅሪ ሓደ ዝኾነን ናይ ኢንተርኔት መተዓዳደጊ ትካል ኣማዞን፡ ኣርባዕተ ሚእታዊት ብፅሒት ክህልዋ እዩ። ቢልየነር ማክኬንዚ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ደቃ ኣብ ዝመሃርሉ ቤት-ትምህርቲ ሳይንስ ምስ ዘምህር ውልቀሰብ ሓዳር ገይራ እያ። 'ጊቪንግ ፕሌጅ' ዝተብሃለ ናይ ረድኤት ድሕረ ገፅ እዩ፡ ቢልየነር ማክኬንዚ፡ ንመምህር ሳይንስ ዳን ጄዌት ከምዘእተወት ወግዓዊ ገይርዎ። 2፡ ኣሌክ ዊልደንስቲንን ጆሰሊን ዊልደንስቲንን እዞም መፃምዲ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 1999 ሓዳሮም ንምፍራስ እንትሰማምዑ፡ ዓለም ጉድ ኢሉ ኔሩ። ኣብቲ እዋን፡ ፍትሕ ክልቲኦም፡ ድሕሪ ሓዳር ልዑል ወፃእታት ዘስዓበ ሓዳር ኮይኑ ነይሩ። ብስራሕቲ ንግድን ስራሕቲ ጥበብ ብምእካብን ዝፍለጥ ኣሜሪካዊ-ፈረንሳዊ ኣሌክ ዊልደንስቲን፡ ድሕሪ 21 ዓመታት ሓዳሮም ከምዘፍርሱ ገሊፁ ነይሩ። በዓልቲ እንድኡ ጆሰሊን ዊልደርስቲን ድማ፡ ድሕሪ ምፍትሖም፡ ኣብ ፈለማ 2 ነጥቢ 5 ቢልየን ዳላር ከምትረክብ ተገሊፁ ነይሩ። ሻቡ፡ በብዓመቱ ንዝቕፅሉ 13 ዓመታት ተወሳኺ፡ 100 ሚልየን ዳላር ከምዝወሃባ ተገሊፁ እዩ። ስለዝኾነ ድማ፡ ብሓፈሻ ዝረኸበቶ ገንዘብ 3 ነጥቢ 8 ቢልየን ዳላር ይበፅሕ። ቢል ግሮስን ሱ ግሮስን፡ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ሓዳሮም እንተፍርሱ፡ ድሕሪ ፍትሖም ብዙሓት ትፅቢት ዘይተገበረሎም ነገራት ተኸሲቶም ነይሮም። ኣብ ዓለምና ስሙይ ኣሜሪካዊ ቢልየነር ዝኾነ ቢል፡ ናይ መንግስቲ ቦንድ ብምዕዳግ ልዑል ከስቢ ብምኽሳብ እዩ ዝፍለጥ። ከይዲ ፍትሕ እዞም መፃምዲ ክልተ ዓመታት ዝወሰደ ነይሩ። ፍትሖም ኣብ ዕልባት ቅድሚ ምብፅሑ፡ ቢል ግሮስ፡ ነቲ 31 ሚልየን ዘውፅእ ናይ በዓልቲ እንድኡ መንበሪ ገዛ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ከምዝገበሮን ንዝነበሩ ተኽልታት'ውን 'ቀቲሉ' ከምዝኸደን፡ በዓልቲ እንድኡ ሱ ግሮስ ንቤት-ፍርዲ ተዛሪባ ኔራ። ቤት-ፍርዲ ድሕሪ እቲ ፍትሕ፡ ሱ ግሮስ 1 ነጥቢ 3 ቢልየንን 31 ሚልየን ዘውፅእ መንበሪ ገዛ ክህባን በይኑ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ እቶም መፃምዲ ዝዓደግዎም ሚልየናት ዘውፅኡ ስራሕቲ ጥበብ ብመዓረ ክካፈሉ ተበይኑ። ብናይ ሚድያ ቢዝነስ ዝፍለጥ ቢልየነር ሩፐርት መርዶክን ኣና ቶርቭን፡ ን31 ዓመታት ዝፀንሐ ሓዳር ዝነበሮም እንትኾን፡ ሰለስተ ቆልዑ ወሊዶም እዮም። እንተኾነ ቢልየነር ሩፐርት መርዶክ፡ ካብ ኩሉ ነገር ንርእሱ ከግልል እንትትልም፡ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 1998 ሓዳሮም ከፍርሱ ብሓባር ተሰማሚዖም። ነዚ ስዒቡ ኣና ቶርቭ ክሳብ 1 ነጥቢ 7 ቢልየን ዳላር ዝበፅሕ ገንዘብ ከምዝተውሃባ ተገሊፁ እዩ። እዞም መፃምዲ ድሕሪ ፍትሖም፡ ናብ ካልእ ሓዳር ንምኻድ ብዙሕ ግዘ ኣይወሰደሎምን። ሩፐርት መርዶክ ሓዳሩ ምስ ኣፍረሰ ኣብ መበል 17 መዓልቱ፡ ዌንዲ ዴንግ ምስ ዝተብሃለት ውልቀሰብ ሓድሽ ሓዳር መስሪቱ። ኣና ቶርቭ ድማ፡ ድሕሪ ሽድሽተ ወርሒ ዊሊያም ማን ንዝተብሃለ ውልቀሰብ ኣእትያ። ኣብ ንግዲ ነዳድን ጋዝን ዝተዋፈረ ኣሜሪካዊ ቢልየነር ሃሮልድ ሃም፡ ክሳብ 14 ቢልየን ዶላር ዝበፅሕ ሃፍቲ ከምዘለዎ ይግለፅ ነይሩ። ምስ በዓልቲ እንድኡ ኣን ኣርኖል ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2015 ሓዳሮም ንምፍራስ እንትሰማምዑ፡ ቤት-ፍርዲ፡ ንበዓልቲ ቤቱ ሓደ ቢልየን ዶላር ክህባ በይኑ። ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ሃሮልድ ሃም 9 ቢልየን ዝተፃረየ ሃፍቲ ከምዘለዎ ተገሊፁ እዩ።","category":"መራኸቢ ብዙሓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57001394"} {"headline":"ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ምንባራ 'ከይፈለጠት' ምስ ብጸይታ ዝተቛየቐት ናሚብያዊት ጋዜጠኛ","content":"ክልተ ኣቕረብቲ ዜና ቴለቪዥን ናሚብያ ብቐጥታ ኣብ ዝመሓላለፍ ዝነበረ መደብ ዘጋጠመን ስግንጢር ኣዘራራቢ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልኦት ኣቕረብቲ ዜና'ውን ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ነቲ ፍጻመ ብምድጋም ክጨርቁ ገይሩ ኣሎ። ኣቕራቢት ዜና መደበር ቴለቪዥን ኤንቢሲ ኤልማሪ ካፑንዳ ኣርእሰተ ዜና ብምንጋር ንዝርዝራቱ ጋዜጠኛ ስፖርት ጀሲካ ካይሙ ክትቕጽል ኣብ ዝሓተተትሉ፡ ጀሲካ \"ኖ ከምኡ ኣይኮናን እንገብር። ሰላምታ ምስ ኣቕረብክለይ ባዕለይ እየ ዝቕጽል\" ኢላታ። ሽዑ ኤልማሪ ብምግራም \"ጀሲካ ኣብ መስመር ኢና ዘሎና\" ብምባል እቲ መደብ ብቐጥታ ይመሓላለፍ ከም ዘሎ ከተዘኻኽራ ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ዘሎ ቪድዮ ይርአ። ነዚ ስዒቡ ኣብ ናሚብያን ጎረቤት ሃገር ደቡብ ኣፍሪቃን ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት '#ጀሲካ ኣብ መስመር ኢና ዘሎና' ዝብል ጥብቆ ኣብ ጽሑፋቶም ይልጥፉ ኣለው። ብሓሙስ ጋዜጠኛታት መደበር ቴለቪዥን ኤስኤቢሲ ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ተመሳሳሊ ተግባር ብምፍጻም ክጨርቁ ፈቲኖም። ገለ ጋዜጠኛታት እቲ ተግባር ጋዜጠኛታት ኤንቢሲ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ መሃያ ብዝተሓሓዝ ምስ ዝገበርዎ ኣድማ ዝተኣሳሰር ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጾም። ናሚብያዊት ጋዜጠኛ ጀሚማ ቢከስ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሐቶ ሓበሬታ፡ ጀሲካ እቲ መደብ ብቐጥታ ይፍኖ ምንባሩ ከም ዘይፈለጠትን ምስ ዳይሬክተር ካሜራ ትዘራረበሉ መስምዒ ኣብ እዝና ከም ዘይነበራን ገሊጻ። ጋዜጠኛታት ኤንቢሲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝገበርዎ ኣድማ ምስ ቀረብ መሳርሒታት ዝተኣሳሰር እዩ። ተጠቀምቲ ትዊተር ነቲ ኣጋጣሚ ይዘናግዑሉ ኣለው። ካልኦት ድማ ተመሳሳሊ ተግባር ብምድጋም '#ጀሲካ ቻለንጅ' ጀሚሮም ኣለው።","category":"መራኸቢ ብዙሓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57439198"} {"headline":"ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ሚድያ “ኣካል ናፃ ናይ ምውፃእ” ክሲ መስሪቶም","content":"ካብ ዝእሰሩ 20 መዓልታት ዘቑፀሩ 14 ጋዜጠኛታት መርበብ ሓበሬታን ሰራሕተኛታት መራኸብቲ ሓፋሽን፡ ንመጋባእያ ፍትሓብሄር ቀዳማይ ደረጃ ቤት-ፍርዲ ኣብ ዘእተውዎ ደብደበ ጥርዓን (ማመልከቻ)፡ ኣካል ናፃ ናይ ምውፃእ (habeas corpus) ክሲ መስሪቶም። እቲ ቤት-ፍርዲ ነቲ ጥርዓን (ቅረታ) ስዒቡ፡ ፖሊስ ፌደራል መፀዋዕታ ክበፅሖ ልኢኹ። ጠበቓ ተኸሰስቲ ኣይተ ታደለ ገብረመድህን፡ ፌደራል ፖሊስ ነቲ መፀዋዕታ ክቕበል ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ፡ እቲ መፀዋዕታ ከየብፅሑ ክምለሱ ከምዝተገደዱ ንቢቢሲ ገሊፁ። “ሰራሕተኛታት ቤተ-መዝገብ ብስልኪ ምስተዘራረቡ፡ ንክንወፅእ ተነጊሩና” ኢሉ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝተሓተተ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ፖሊስ ፌደራል ኣይተ ጄይላን ዓብዲ፡ ኣብዚ ጉዳይ ሓበሬታ የብለይን ዝብል መልሲ ሂቡና። እቲ ናብ መጋባእያ ፍትሓብሄር ዝቐረበ ጥርዓን፡ ካብ ጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ ወፃኢ ዘለዉ 13 ኣመልከትቲ፡ ካብ 25 ሰነ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ፡ ኣብ ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌደራል ቤት-ማእሰርቲ ተሓይሮም ከምዝፀንሑ የመልክት። ኣብቲ ዝሓለፈ 25 ሰነ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝወዓለ ጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ፡ ብተመሳሳሊ ናብ ቤት-ማእሰርቲ ከምዝኣተወ እቲ ጥርዓን ይሕብር። ካብ 25 ሰነ ንደሓር ነቶም እሱራት ንምሕታት ዝኸዱ ስድራ “ተለቒቖም’ዮም” ዝብል ሓበሬታ ከምዝተውሃቦምን፡ ዛጊድ ናብ ቤት-ፍርዲ ከምዘይቐረቡን እቲ ጥርዓን ይሕብር። ካብዚ ብተወሳኺ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኩነታቶም ክዕዘብ እኳ እንተፅዓረ፡ ፍቓድ ዘይምርካቡን ስድርኦም’ውን ዘለውዎ ኩነታት ከምዘይፈልጡ፡ ንቤት-ፍርዲ ኣፍሊጡ። “ብሕገ-መንግስቲ ዝተውሃቦም ናይ ኣካል ድሕንነትን መሰል ናፅነትን ዝጥሕስ ተግባር እዩ” ዝብል እቲ ጥርዓን” ክልተ ፍርድታት ጠሊቡ። “ኣመልከትቲ ናበይ ተወሲዶም ከምዝተኣሰሩ ዘይሻራዊ ብዝኾነ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ተፃርዩ ክቐርብ” ዝብል እቲ ቀዳማይ ሕቶ እንትኾን፡ እቲ ካልኣይ ድማ፡ “ብዘይ ፍቓድ ቤት-ፍርዲ ልዕሊ 48 ሰዓታት ተኣሲሮም ስለዝፀንሑ፡ ናፅነቶም ንክኽበረሎም ይተሓተተልና” ዝብል እዩ” ኣካል ናፃ ናይ ምውፃእ ክሲ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ቀይዲ ሕጊ ኣትዩ ኣብ ግቡእ ግዘ ናብ ፍርዲ ምስ ዘይቐርብ፡ ብጥርዓን እቲ ውልቀሰብ፣ ብጠበቕኡ ወይ ድማ ብተወከልቲ ሕጊ ኣቢሉ፡ ድሕንነት ኣካሉ ተሓልዩ ናፃ ክወፅእ ናብ ቤት-ፍርዲ ዘመልክተሉ ስርዓት እዩ። እቲ ቤት-ፍርዲ ሎሚመዓልቲ ድሕሪ ሰዓት ነዚ መዝገብ ክርእይ ትፅቢት ይግበር። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣተሓሕዛ እቶም ኣብ ቤት-ማእሰቲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታትን ኢትዮ- ፎረምን ኣውሎ ሚድያን ብመሰረት ሕጊ ክኾን ኣለዎ ምባሉ ይዝከር።","category":"መራኸቢ ብዙሓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57891888"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ዕንወት መዓርፎ ነፈርቲ ኣኽሱም ብዝምልከት: እቲ ሓቂ እንታይ'ዩ?","content":"ዕንወት መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ኣኽሱም ትግራይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ። ሰራዊት መንግስቲ ፌደራል፡ ነቲ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝተቖጻጸሩዎ እኳ እንተገለጹ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ግን ኣብቲ መገዲ ኣየር መጥቃዕቲ ከም ዘብጽሑን እቲ መሐምበቢ ጽርጊያ ነፈርቲ (ራን ወይ) ከም ዝሓጸሩዎን እዩ ዝግለጽ። ሕጂ'ውን ኣብቲ ክልል ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኢንተርነትን ተዓጽዩ ስለ ዘሎ፡ እቲ ሓቂ በየናይ ወገን እዩ ዘሎ ዝብል ዝፍለጥ ኣይኮነን። ንገለ ኣብቲ መገዲ ኣየር መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሐ ዘርእዩ ምስልታትን ናይ ሳተላይት ስእሊ እቲ መዓርፎ ነፈርትን ወሲድና፡ ገለ ሓቅታት ኣዳሊና ኣለና። ብ11 ሕዳር 2020፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝተቖጻጸሩዎ ብፌስቡክ ገሊጹ። ክሳብ ሽዑ ግን ኣብ ኢድ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ (ህወሓት) ነይሩ። ይኹን'ምበር፡ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኮነ ከባቢ ኣክሱም ኣብቲ ዝተጠቕሰ ዕለት መዕለቢ ኣይረኸበን ነይሩ። ብሓሙስ (19 ሕዳር 2020 ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) መራሒ ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ከተማ ኣክሱም ኣብ ትሕቲ ቑጽጽርና እያ ዘለ ኢሉ። እዚ ኮላይ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝሓውስ ድዩ ዝብል ግን ግልጺ ኣይኮነን። \"ኣክሱም ኣብ ኢድና ኣላ፤ ግን ከኣ ንኣክሱም ንክቆጻጸሩ ዝተልኣኹ ሰራዊት ኣለው። ውግእ ሕጂ'ውን ይቕጽል ኣሎ\" ኢሉ ነይሩ ዶክተር ደብረጽዮን። ብዓርቢ 20 ሕዳር ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንከተማ ኣክሱም ተቖጻጺረ ክብል እንከሎ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ነቲ ትሕተ ቕርጺ ከም ዘዕነውዎ ገሊጹ። ብሰንበት 22 ሕዳር ከኣ፡ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብቲ ነፈርቲ ዝጎያሉ ጽርጊያ ኣእማን መሊኡ ዘርኢ ምስሊ ዘርጊሐን። \"ንቑጠባን ህዝብን ኣክሱም ብዙሕ ንዘበርከተ መዓርፎ ነፈርቲ [ህወሓት] ኣዕኒዩዎ\" ኢለን ጸብጺበን። ናይዚ ሓቕነት ንምርግጋጽ፡ ቅድሚ እቲ መጥቃዕትን ድሕሪኡን ዘሎ ኩነታት ዝሕብር ምስሊ ሳተላይት ካብ ፕላኔት ላብስ ወሲድና። ብሓሙስ 19 ሕዳር 2020፡ እቲ መጉየዪ ነፈርቲ ዝበጽሖ ጉድኣት ኮነ ዝተደርበየሉ ዶንጎላ ኣይነበረን። ብሰኑይ 23 ሕዳር 2020 ዝነበረ ምስሊ ግን፡ ነፈርቲ ንከይዓርፋ ዝግድብ ደንጎላታት ኣብቲ መጉየዪ ነፈርቲ ተደርቢዩን ተኳዒቱን ምንባሩ ዘመክት እዩ። ካልኦት ምጽራያት'ውን ተመሳሳሊ ውጽኢት እዮም ዘርእዩ። መንግስቲ ትግራይ ኣብቲ መገዲ ኣየር እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ ዝብል ርኢይቶ ገና ኣይሃበሉን። ዶክተር ደብረጽዮን ግን ህወሓት እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዕኒዩዎ ዝብል ክሲ ክነጽጎ እንከሎ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንቕድሚት ንከይግስግስ መሐንኮሊ ተቐሚጡ ምንባሩ ግን ኣረጋጊጹ። ስኑዓት ምስሊታት ኣብ ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ኣገልግሎት ኢንተርነትን ቴሌፎንን ተቛሪጹ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ትኽክለኛ ምስሊ ምርካብ ኣጸጋሚ እዩ። ኣብዚ ግዜ፡ መራኸብቲ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝብሓትኦ ወይ'ውን ብማሕበራዊ ሚዲያ ዝዝርግሑ ዝንቡዓት ምስሊታት እዮም ዘለው። ሰራዊት ኢትዮጵያ መዓርፎ ነፈርቲ ኣክሱም ተቖጻጺሮም ዝብል ሓበሬታ ብወገን መንግስቲ ምስ ተዋህበ ዝተዘርግሐ ስእሊ ምስቲ ጎንጺ ዝካየደሉ ዘሎ ኩነታት ዘይሳነ ዝጸንሐ ግን ድማ ናይ ሓደ ወተሃደር ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘለዎ ዝጸንሐ ምስሊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣክሱም እዩ ተጠቂዑ። ብተመሳሳሊ፡ ህወሓት ነቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣዕኒዩዎ ዝብል ሓበሬታ ብመራኸብቲ ሓፋሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስተነገረ፡ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ እቲ መገዲ ኣየር ሙሉእ ንሙሉእ ከም ዝዓነወ ዘርኢ ምስሊ ጠቂዖም። እቲ ምስሊ፡ ብ2014 ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሊቢያ ናይ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እዩ። ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተዓጽወ ኢንተርነት ክኸፍቶ ጸዊዑ ኣሎ። መዓርፎ ነፈርቲ ኣክሱም ስለምንታይ ኣገዳሲ ኮይኑ? ኢትዮጵያ ሰፋሕ ሃገር እያ። መዓርፎ ነፈርቲ ድማ፡ ካብቲ ዝህቡዎ ልሙድ ኣገልግሎት ብተወሳኺ ንወተሃደራዊ ጉዳያት ኣገደስቲ እዮም። ኣክሱም ድማ ታሪኻዊት ከተማ ስለ ዝኾነት ኣገዳሲት እያ። ዳይሬክተር ዓለምለኻዊ ርክባት ቤት ትምህርቲ ባልሲሌ ፕሮፌሰር ኣን ፊትዝ-ገርላድ፡ \"መዓርፎ ነፈርቲ ባህርዳርን ጎንደርን ስለ ዝዓነው እዚ መገዲ ኣየር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፤ ወተሃደራት ንምንቅስቓስን ናይ ርክብ መስመራት ክፉት ንምግባርን ድማ ናይ መዓርፎ ነፈርቲ ድሕነት ኣገዳሲ እዩ\" ኢላ። \"ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ነዚ ክቆጻጸሩዎ እንተዘይክኢሎም፡ እቲ መማረጺ ናብኡ ዘእቱ መገዲ ምትእጉጓል እዩ\" ኢላ።","category":"መራኸቢ ብዙሓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/55040151"} {"headline":"ቃዛ፡ ‘እዚ ብንጹር ጋዜጠኛታት ንምዕፋን ዝግበር ፈተነ እዩ’","content":"ትካላት ናጽነት ፕረስ ነቲ እስራኤል ኣብ ቃዛ ኣብ ልዕሊ ቤትጽሕፈት ኣሶሽየትድ ፕረስን ኣልጀዚራን ዝነበረሉ ህንጻ ዝገበረቶ መጥቃዕቲ ብጽኑዕ ኮኒኖም። እቲ ፍጻመ ናይ ተፍትሽ ነቑጣታት ተዓጽዮም ኣብ ዝርከቡሉን ጋዜጠኛታት ወጻኢ ናብ ቃዛ ከይኣትው ተኸልኪሎም ኣብ ዝርከቡሉ እዋን እዩ ተፈጺሙ። እስራኤል፡ እቲ ህንጻ መደበር ኣሃዱ ጸጥታ ሓማስ ምዃኑ እያ ትገልጽ፤ ዋና ኤዲተር ኤፒ ግና እቲ መጥቃዕቲ ብነጻ ኣካል ክምርምር ጸዊዑ ኣሎ።","category":"መራኸቢ ብዙሓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57156956"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ብውግእ ዝመኸነ ሕልሚ ንስደት ዝተቓልዐት ጋዜጠኛ","content":"ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ዝተወልዐ ጎንጺ፡ ዝተፈላለየ መልክዕ ሒዙ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣቚጹሩ ኣሎ። በዚ ምኽንያት እዛ ጋዜጠኛ ትርከቦም ልዕሊ 50 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህጻናት፣ መናእሰይን ኣረጋውያንን ተሰዲቶም ኣብ ሱዳን ዕቑባ ሓቲቶም ኣለው። ኩሎም፡ ዝኽሪ ካብቲ ጎንጺ ዝሃደሙሉ ኣጋጣሚታት ኣለዎም። እዛ ጋዜጠኛ ድማ፡ ዛንታ ጉዕዞኣን እቲ ዘጋጠመ ኩነታትን ብኣንደበታ ንቢቢሲ ትግርኛ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣዘንቲያቶ ኣላ። ሽመይ ስምረት* እበሃል፤ ጋዜጠኛ እየ። ኣብ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራ'የ ተወሊደ ዓብየ። ክሳብ እቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሪፖርተር ሬድዮ ድምጺ ወያነ ትግራይ ኮይነ ንክልተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ክሰርሕ ጸኒሐ። ስድራይ፡ ከምቲ ካልእ ክፋል ሕብረተሰብ ዝነብሮ ናብራ ስለዝነብሩ፡ ካብቲ ካልእ ዝተፈለየ ኣተዓባብያ ኣይብለይን። ሑመራ፡ ንህዝቢ ትግራይ ሓዊሱ፡ ካብ ኣምሓራን ኦሮሞን ዝመጽኡ ከምኡ'ውን ዜጋታት ሱዳንን ናይጄርያን ብሓባር ብሰላምን ፍቕርን ዝነብሩላ እያ። ክሳብ እዛ ቀረባ ወርሒ ኩላትና ፍሉይ ፍቕርን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ነይሩና። ሑመራ፡ ናይ በረኻ ገነት ኢልና ኢና ንጽውዓ። ብርክት ዝበለ ሃብትን ናይ ሕርሻ መሬትን ኣለዋ። በዚ ምኽንያት፡ እዋን ክረምቲ ክኸውን እንከሎ ካብ ኣምሓራን ካልኦት ከባቢታትን እታ ሃገር ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ናብ ሑመራ ይመጽኡ። ስለዚ ኩል ግዜ ምንቅስቓስ ዘይፍለያ ከተማ እያ። ብ18 ጥቅምቲ 2020፡ ዓመታዊ ናይ ስራሕ ዕረፍቲ ወሲደ ካብ መቐለ ናብ ሑመራ ክኸይድ እንከለኹ፡ ክሳብ 19 ሕዳር 2020 ምስ ስድራይን መሓዙተይን ጽቡቕ ናይ ዕረፍቲ እዋን ከሕልፍ እየ ዝብል ባህጊ ብምስናቕ'ዩ። ካብዚ ብዝብገስ፡ ስድራይ ብምርካበይ ተሓጒሰ ንሓደ ሰሙን ዝኸውን ጽቡቕ ናይ ዕረፍቲ ግዜ የሕልፍ ነይረ። ይኹን'ምበር፡ ኣብ ሞንጎ መንግስታት ፌደራልን መንግስቲ ትግራይን ዝነበረ ወጥሪ እናኸበደ ይመጽእ ስለ ዝነበረ፡ ዝኾነ ሕማቕ ነገር ከይመጽእ ክንሰግእ ጀሚርና። ሓደ መዓልቲ፡ ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ [ዝነበረ] ደብረጽዮን ገብረሚካኤል (ዶ\/ር) ዝሃቦ መግለጺ በተን ክልላዊ ጣብያታት ቴሌቪዥን ይቃላሕ ነይሩ። ይዝክር፤ 'ኩሉ ነገር ተወዲኡ'ዩ፤ ህዝቢ ትግራይ ድማ ኩለ መዳያዊ ምድላው ግበር' ይብል 'ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኲናት ተኣዊጁ'ዩ' ብምባል። ደብረጽዮን ኩል ግዜ መግለጺ ክህብ እንከሎ፡ 'ተዳለው' ይብል'ዩ። ናይታ ሽዓ መዓልቲ ግን ፍልይ ዝበለትን ከባድን ነይራ። በዚ ምኽንያት፡ ኣብ መቐለ ናብ ዘለው መሓዙተይ ቴሌፎን ብምድዋል ብዛዕባ እቲ ዝሃቦ መግለጺ ነውግዕ። 'ሕጅስ ኩሉ ነገር የስግእ'ዩ። እንታይ'ዩ ክፍጠር?' ንብል። ነዊሕ ኣይወሰደን። ብዝገርም ኩነታት 3 ሕዳር 2020 ድምጺ ተኩሲ ክስማዕ ጀሚሩ። መግለጺ ዶክተር ደብረጽዮን ክርብሸንን ከሻቕለንን ስለ ዘምሰየ፡ ብዝግባእ ኣይደቀስኩን። ሰዓት ሸሞንተ ናይ ለይቲ ድማ ተሲአ። ቴሌፎን ኣልዕል እንተበልኩዎ፡ መቐለ ካብ ዘለው መሓዙተይ ዝተላእኸ ናይ ጽሑፍ መልእኽታት ብብዝሒ እረክብ። ግራ ኣትዩኒ ክምልሰሎም እንተበልኩ፡ ኩሉ ነገር ተዓጽዩ፤ ኔትዎርክ ዝበሃል ጠፊኡ ይረኽቦ። ኢንተርነትን ኣገልግሎት ስልክን ተበቲኹ። ሽዓ ለይቲ ንዓብዪ ሓወይ እንታይ'ዩ ዝፍጠር ዘሎ? ኢለ ይሓቶ። \"ኣይትጨነቒ። ወተሃደራዊ ልምምድ'ዩ ዝኸውን፤ ስቕ ኢልኪ ደቅሲ\" ይብለኒ። ይኹን'ምበር፡ ምስ ወግሐ ዝሰማዕናዮ ወረ ናይዚ ተጻራሪ'ዩ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ሓይልታት ጸጥታ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከር ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ፈጺሞም'ዮም ብምባል ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ክውሰድ'ዩ ኣዚዙ። እቲ ጎንጺ ምስ ተጀመረ ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ኣብ ሑመራ ሆስፒታል ካሕሳይ ኣበራ ክትትል ሕክምና ይግበረሉ ንዝነበረ ቤተሰብ ክሓትት ናብቲ ሆስፒታል ይኸይድ። ሃንደበት ብኣንፈት ኤርትራ ከበድቲ ብረት ክትኮስ ጀሚሩ። ኩሉ ሰብ ተሰናቢዱ እግረይ ኣውጽእኒ ናብ ገጠራት ክጎይዪ ጀሚሩ። ገዛ ወለደይ ካብ ከተማ ሑመራ ቁሩብ ርሕቕ ኢሉ ናብ ኤርትራ ዝቐረበ ስለ ዝኾነ፡ ኣነ'ውን እቲ ደብዳባት ምስ በርትዐ ናብ ኣደይ ክጎይዪ ጀሚረ። ነዚ ዝርኣዩ ሰባት 'ናበይ ናብቲ ዝትኮሰሉ ዘሎ ትሃድሚ፤ ናብዚ ንዒ እምበር\" እናበሉ ክምልሱኒ እኳ እንተፈተኑ፡ ኣነ ግን ምስ ኣደይ ክኸውን ስለ ዝደለኹ ዓይኒ ዕሙተይ ይጎዪ። ከም ዘይብጻሕ የለን ገዛ ኣትየ፤ ሽዑ ምስ ኣንስቲ ዓበይቲ ኣሕዋተይን ደቀንን መግቢ ክንበልዕ እንጀራ ኣቐሪባትልና። ድሕሪኡ፡ \"በላ ሕጂ ህደማ\" ኢሎምና። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ናብ ቐረባና ናብ ዝነበረ ቤተክርስቲያን ብምኻድ ተዓቚብና። እንተኾነ ተኹሲ ከበድቲ ብረት ይቕጽል ነበረ። ክትኩሱ ከለው፡ ንመዓስከር ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ዘጥቅዑ ዘለው መሲሉዎም ክኸውን ይኽእል'ዩ፤ እንተኾነ ነታ ከተማ'ዩ ዝወቕዓ ነይሩ። ነታ መዓልቲ ኣብቲ ቤተ ክርስቲያን ኮይንና ክሳብ ሰዓት 10፡00 ናይ ኣጋምሸት እናጸለና ኣሕሊፍናያ። ዓብዪ ሓወይ ድማ ኣብ በረኻ ጥሪትን ሕርሻ መሬትን ክሕሉ ውዒሉ ደቁን ሰበይቱን ክርኢ ናብቲ ቤተ ክርስቲያን ይመጽእ። \"ተስኣ፤ ናብ ሱዳን ኪዳ\" በለና። ስድራይ ድሓን ኩኑ'ውን ከይበልኩዎም ብሞተር ናብ መዋሰኒት ከተማ ዲማ ኣብጺሑና፤ ኣብኡ ከኣ ሓዲርና። ሑመራ፣ ኤርትራን ሱዳንን ብዙሕ ዝተፈላለያ ከባቢታት ኣይኮናን። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ሑመራ ብከበድቲ ብረት ክትድብደብ ከላ ይስምዓና ነይሩ። ወለደይ፡ ንኤርትራ ቐረባ ኣብ ዝኾነ ከባቢ ስለ ዝነብሩ እቲ ደብዳባት ድሕነቶም ከጨንቐኒ ጀሚሩ። ብተወሳኺ፡ ዝተፈላለዩ ካምፕታት ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ብድሕሪ እቲ መንበሪ ገዛና ስለ ዝነበሩ፡ ሃለዋት ስድራይ እናጨነቐኒ ኣማራጺ ስለ ዘይነበረኒ ኹሉ ገዲፈ ናብ ሱዳን ተሰዲደ። መጀመርታ ሱዳን ሓምዳይት ዝኣተናሉ መዓልቲ ዝነበረ ብዝሒ ስደተኛታትን ሕጽረት ቐረባትን ብቐሊሉ ዝግለጽ ኣይኮነን። ከተማ ሓምዳይት ካብ ሑመራ ዝረሓቐት ስለ ዘይኮነት፡ ምስቲ ህዝቢ ዳርጋ ብዶብ ዝተፈላለና ኣሕዋት ኢና። ሕጂ'ውን ኣብ ሓምዳይት'የ ዘለኹ። ሓልሓሊፉ ሓገዝ ንዘድልዮም ጋዜጠኛታትን ካልኦት ሰባትን ይሕግዝ። መብዛሕትኦም ኣብዚ ቦታ ዘለው ሰባት በቲ ዝርኣዩዎ ኩነታት ዝተሰናበዱን ጉድኣት ዝበጽሖምን'ዮም። ኲናት ሕማቕ'ዩ። ኲናት ኢትዮ- ኤርትራ ክጅመር እንከሎ ቖልዓ ሓሙሽተ ዓመት ነይረ፤ ኩሉ ግን ብዝግባእ ይዝክሮ'የ። ወለደይ ህይወቶም ሙሉእ ኲናት ዝርኣዩ'ዮም፤ ደርጊ፣ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ - ሕጂ ኸኣ ካልእ ኲናት። እንተኾነ ካብ መሬት ዓዶም ወጺኦም ኣይፈልጡን። ኩል ግዜ፡ ኣብ መሬት ዓድና ኢና ንመውት'ዮም ዝብሉ። ሕጂ፡ ብምኽንያት እቲ ግጭት ሑመራ ናብ ካልእ ተቐይራ'ላ። መብዛሕትኡ ህዝባ ተመዛቢሉ፣ መንበሪ ኣባይቲ ዓንዮም፣ ንብረት'ውን ተዘሚቱ'ዩ። ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ተዓጽዩ ዝጸንሐ መስመር ቴሌፎን ምስ ተመለሰ፡ ደዊለ ድሃይ ስድራይ ሓቲተ'የ። ድሓን ከም ዝኾኑ ነጊሮምኒ። ኩላትና ብዛዕባ ኲናትን ሳዕቤኑን ዘለና ዝኽሪ ሕማቕ'ዩ። ኣብ ትግራይ ዘየንኳሕኩሖ ገዛ የለን። ኲናት ጽቡቕ ኣይኮነን። 'ፓስፖርት'ውን የብለይን' ንርእሰይ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ክረኽቦ ፈጺመ ገሚተ ኣይፈልጥን። ብምኽንያት እዚ ኲናት ብዙሓት መሓዙተይ፣ መቕርባተይን ህዝበይን እናሞቱ ርእየ'የ። ካብ ዳንሻ ዝመጽኡ መሓዙት ኣለውኒ። ኣብ ጉዕዝኦም ብዙሕ ቕትለትን ግፍዕን ርእዮም ዝመጹ'ዮም። እዚ ኹሉ ሓሊፉ ዝርስዖ'ውን ኣይመስለንን። ንዓመታት፡ ኣብ ሶርያ ዘሎ ኲናት ክንደየናይ ህዝቢ ከም ዝሃሰየ እናሰማዕኹ'የ መጺአ። እዚ ኲናት ግን ኣብ ዓለም ዋላ ንሓደ ሰብ'ውን ዘይምነዮ'ዩ። ብጣዕሚ'የ ዝሓዝን። እዞም ኣብዚ ጊዝያዊ መጽንሒ ቦታ ዘለው ተመዛበልቲ፡ ናብ መረበቶም ዝምለስሉ መዓልቲ'ዮም ተስፋ ዝገብሩ። ከም ሓንቲ ተስፋ ዘለዋ ጋዜጠኛ፡ መቕድሒ ድምጽን መዘክርን ካብ ኢደይ ኣይፈልን ነይረ። ስእሊ ምስኣል'ውን ስለ ዝፈቱ ካብ ኢደይ ቴሌፎን ኣይፈልን። ግን ድማ፡ መጀመርታ ንነብስና ከነድሕን ናብቲ ቤተ ክርስቲያን ክንከይድ እንከለና፡ ናብ ገዛይ ክምለስ ይኸውን'የ ዝብል ግምት ስለ ዝነበረኒ ኣብ ገዛይ ገዲፈዮ'የ ወጺአ። ድሕሪ 10 መዓልቲ'ዩ ሓወይ ናብዚ መዓስከር ኣምጺኡ ቴሌፎን ሂቡኒ። እቲ ኹሉ ኣብቶም ናይ መጀመርታ መዓልታት ዝርእዮ ዝነበርኩ ፍጻሜታት ብቴሌፎነይ ዘይምሓዘይ የሕዝነኒ፤ ግን ድማ ኩሉ ኣብ ዝኽርታተይ ኣሎ'ዩ። ደብረጽዮን ደጋጊሙ፡ 'ኹለመዳያዊ ምድላው ግበሩ' ክብል እንከሎ ኣይተርድኣንን ነይሩ። ክንድዚ ዝኣክል ነገር ክመጽእ'ዩ ዝብል ግምት'ውን ኣይነበረንን። ካልእ ተሪፉ ኣብ ባንኪ ዝነበረኒ ገንዘብ'ውን ኣየውጻእኹን። ኣብ መቐለ እንከለኹ፡ ንጉሆ ሰዓት 11፡00 (ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ተላዒለ ንሓደ ሰዓት ዝኸውን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንምግባር ይጎዪ። ንሽዱሽተ ናይ ስራሕ መዓልታት ሰሪሐ ድማ ኩል ሻብ ሰንበት ምስ መሓዙተይ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ይሓኩር። እዚ ጎንጺ ቅድሚ ምምጽኡ ህይወት መቐረት ነይሩዋ። ሕጂ፡ እቲ ዘለኹዎ ቦታ ብዝግባእ ስለ ዘይፈልጦን ሓመድ ዝበዝሖ ስለ ዝኾነን፡ ዝኾነ ዓይነት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክገብር ኣይኽእልን። መዓልታዊ ኾፍ ኢለ እየ ግዜይ ዘሕልፎ ዘለኹ፤ እዚ ድማ ጭንቀት ይፈጥረለይ። ካብ ትግራይ ክወጽእ'የ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን። ንዕኡ'ውን'ዩ ፓስፖርት ዘይብለይ። ሕጂ ናብ ዓደይ ተመሊሰ ንህዝበይ ክሕግዞ'የ ዝደሊ። ናብ ስርሐይ፣ ናብቲ ዝፈትዎ ሞያ ጋዜጠኝነት ክምለስ'የ ዝመርጽ። እዚ ጎንጺ ከይተላዕለ እንከሎ፡ ብዙሕ ሕልሚ ነይሩኒ፤ ናይ ካልኣይ ዲግሪ ትምህርቲ ክጅምር፣ ገዛ ክሰርሕ ይብል ነይረ። ሕጂ'ውን ጌና መንእሰይ'የ፤ ኣብ ቅድመይ ብሩህ ግዜ ከም ዝጽበየኒ'የ ዝኣምን። እዚ ዘለናዮ ሓሊፉ ጽባሕ ጸሓይ ክትበርቀልና የተስፉ። እዚ ኹሉ ዘጋጥመና ዘሎ፡ ንዝሓሸ ጽባሕ ዘሳግረና መደላድል ክኸውን ይምነ።","category":"መራኸቢ ብዙሓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/55323221"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ኣብ 2020 ኢንተርኔት ብምዕጻዋ ልዕሊ 110 ሚልዮን ዶላር ከሲራ","content":"ኢትዮጵያ ኣብ 2020፡ ን1536 ሰዓታት ኢንተርነት ክቋረጽ ብምግባራ 111.3 ሚልዮን ዶላር ከምዝሰኣነት ሓደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። እቲ መጽናዕቲ ፡ 'ኔት ብሎክስ' ዝተባህለ ፍሰት ኢንተርነት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝከታተል ትካልን ንመሰል ተጠቃምነት ኢንተርነት ዝሕለቕ 'ዘ ኢንተርነት ሶሳይቲ'ን ብሓባር ዘካየድዎ እዩ። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተፈጸመ ምዕጻው ኢንተርነትን ዘስዓቦ ቁጠባዊ ቅልውላውን ዝገምገመ ከምዝኾነ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋዕ ኣብ ዝሕይለሉ እዋን ኢንተርኔት ከምእትዓጹ ይሕብር። ቅትለት ፍሉጥ ደራፋይ ኦሮምኛ ሃጫሉ ሁንደሳ ስዒቡ ኣብ ዝተፈጠረ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ካብ ሰነ ክሳብ ሓምለ ኣብ ዝበረ እዋን ንልዕሊ ሰለስተ ሰሙን ኢንተርኔት ተቛሪጹ ከምዝነበረ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝጸብጸቦ፡ በቲ ጎንጺ 166 ሰባት እንትቕተሉ ፍሉጣት መራሕቲ ፖለቲካ ሓዊሱ ልዕሊ 2000 ሰባት ተኣሲሮም። መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ድማ ልዕሊ 9000 ሽሕ ሰባት ከምዝኣሰረ ኣብቲ እዋን ኣፍሊጡ ነይሩ። 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ\/ም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ መራሕቲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ወታሃደራዊ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ብምኽሳስ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ወታሃደራዊ ወፍሪ ካብ ዝእውጅ ናብዚ እውን ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርነትን ተቛሪጹ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ውሱናት ከባቢታት ኣገልግሎታ ስልኪ ዝተመለሰ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ግን ኣገልግሎት ስልኪ ይኹን ኢንተርኔት ከምዘይተመለሰ ዋና ፈጻሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ንቢቢሲ ኣብ ቀረባ ተዛሪባ ነይራ። ምቁራጽ እቶም ግልጋሎታት ንነበርቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝህቡ ትካላትን እኹል መረዳእታ ከይረኽቡ ከምዝገበሮም እንትሕብሩ፡ ሂዩማን ራይተስ ዎች ብተመሳሳሊ ምቁራጽ ስልክን ኢንተርነትን ኣብቲ ክልል ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ንዝከታተሉ ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ጋዜጠኛታትን ዕንቅፋት ከምዝኾነን ካብቲ ክልል ወጻኢ ዝነብሩ ተወለድቲ ምስ ስድራቤቶም ክራኸቡ ከምዘይከኣሉን ገሊጹ። ኣብ 2020 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ፡ ዓለምና ን 27,000 ሰዓታት ምቁራጽ ኢንተርነት ዘጋጠማ እንትኾን 4.01 ቢልዮን ዶላር ኽሳራ ከምዝበጸሓ እቲ ጽንዓት ኣረዲኡ። እቲ መጠን ኣብ 2019 ካብ ዝነበረ ናይ 8.05 ቢልየን ኪሳራ ብፍርቂ ዝነከየ እዩ። ኣብ ኣፍሪቃ ጥራሕ ኣብ 2020፡ ኢንተርኔት ን 6929 ሰዓታት ከምዝተቛረጸ ዝሓበረ እቲ መጽናዕቲ፡ በዚ ምኽንያት እታ ኣህጉር 237.4 ሚልዮን ዶላር ከሲራ ኢሉ። እዚ ቁጠባዊ ሃስያ ምስ ሳዕቤን ኮሮናቫይረስ ተደሚሩ፡ ኣብ ሃገራት ከቢድ ጉድኣት ከምዘብጸሐ እቲ መጽናዕቲ ገሊጹ። ኣብ 2020፡ ኣብ 21 ሃገራት 93 ምቁራጻት ኢንተርኔት ነይሮም ይብል እቲ ጸብጻብ። ብጠቕላላ ኣብ ዓለም ን 27,165 ሰዓታታት ምቁርራጽ ኢንተርነት ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ምቁራጽ ኢንተርነት ን 10,693 ሰዓታት፣ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምዕጻው ን 5,552 ሰዓታት፣ ፍጥነት ኢንተርነት አዐርዩ ክዝሕል ምግባር ን 10,920 ሰዓታት ዝተመዝገቡ እዮም። በዚ ምኽንያት 268 ሚልዮን ህዝቢ ዓለም ኣገልግሎት ኢንተርኔት ኣይረኸበን። ኣብ ዓለም ኢንተርነት ብምቁራጽ ዝያዳ ዝተጎደአት ሃገር ህንዲ ኮይና፡ ምስ ማንያማር ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ሽመን ብምቁራጽ ኢንተርነት ብብዝሒ ተላዒሉ እዩ። ጫድ ብወገና ካብ 2018\/19 ጀሚራ ዋትስኣፕ ኣብ ግዝኣታ ከይሰርሕ ኣጊዳቶ እያ። ምኽንያታት እቶም ዝተገበሩ ምቁራጻት ኢንተርነት ብዝምልከት ድማ፡ መረጻ ምኽንያት ብምግባር 15 ምኢታዊት፣ ናይ ፕረስ ነጻነት ንምዕፋን 12 ምኢታዊት፣ 29 ምኢታዊት ድማ ኣኼባ ናይ ምክያድ ነጻነት ንምኽልካል ከምዝኾነ እቲ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ምቁራጽ ኢንተርኔት፡ ኮነ ተባሂሉ ኣብ ሓደ ከባቢ ናይ ሓበሬታ ፍሰት ንምትእጉጓል ብምሕሳብ ኢንተርነት ወይ ርክብ ኢንተርነት ክቋረጽ ወይ ፍጥነቱ ክንኪ ምግባር ከምዝኾነ 'ኣክሰስ ናው' ዝተባህለ ትካል ይገልጽ። ምልካዊ መንግስታት ሰልፍታት ተቓውሞ ንምትዕንቓፍን ኣብ እዋን መረጻ ዝግበሩ ሰልፊታት ተቓውሞ ንምቁጽጻርን ኢንተርነት ከምዝዓጽዉ ይግለጽ። ምቁራጽ ኢንተርነት፡ ብከምዚኦም ዝኣመሰሉ መንግስታት ኣብ 2021 እውን ክቕጽል ከምዝኽእል እቲ መጽናዕቲ ኣተንቢሁ።","category":"መራኸቢ ብዙሓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55822259"} {"headline":"መደበር ቴሌቪዥን ኦኤምኤን ኣብ ኢትዮጵያ ሰራሕተኛታቱ ከምዝተኣሰሩ ገሊጹ","content":"መደብር ቴሌቪዥን ኦሮሚያ ሚድያ ኔትዎርክ (ኦኤምኤን)፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ጋዜጠኛታቱ ብፖሊስ ፌደራል ከምዝተትሓዙ ኣፍሊጡ። እቲ መደብር ቴሌቪዥን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ዝነበሩ ኩሎም ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት ቴክኒክን ከምዝተኣሰሩ እዩ ገሊጹ። ብዛዕባ እዚ ተፈጺሙ ዝተባህለ ማእሰርቲ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊት ዝሃቦ ርእይቶ የለን። ኦኤምኤን ሃለዋት ናይቶም ብፌደራል ፖሊስ ተቐይዶም ዝበሎም ሰራሕተኛታቱ ከምዘይፈልጥ'ውን ገሊጹ። እቲ መደብር ቴሌቪዥን፡ ሎሚ ንጉሆ ምስ ቅትለት ውሩይ ሙዚቀኛ ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝዛመዱ ትሕዝቶታት ከሕልፍ እዩ ውዒሉ። ነቲ ቅትለት ስዒቡ ንዝተልዓሉ ተቓውሞታት'ውን ይጽብጽብ ነይሩ። ድሕሪ ቅትለት ውሩይ ሙዚቀኛ ኦሮሞ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምቁራጽ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ኣጋጢሙ ዝነበረ ኾይኑ፡ ኣብ ገለ ከባብታት ኦሮሚያ ድማ ድሮ ዕግርግርን ወጥርን ነጊሱ'ሎ። ኣብ ከተማ ጭሮ፡ ኣብ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዝነበሩ ብውሕዱ ክልተ ሰባት ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ። ኣብ ከተማ ኣዳማ ድማ፡ ዕግርግር ከምዝተልዓለ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ። ኣብ'ታ ከተማ ገለ ህንጻታት መንግስታዊ ቤት ዕዮታት ከምዝተባርዑ፡ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ተዛሪቦም። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ኣዳማ፡ ንተቓውሞ ናብ መደብር ቴሌቪዥን ኦቢኤን ዝኸዱ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ፖሊስ ጥይት ብምትኳስ በቲንዎም። ኣብ መንጎ'ዚ፡ ሓደ ሰብ ከምዝቖሰለ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ገሊጾም። ትውልዲ ከባቢ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝኾነት ጅማ'ውን ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ተኻይዱ። ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ሎሚ ንጉሆ ኣብትርቲ ዝሓዙ ብዙሓት መናእሰይ፡ ንሬሳ እቲ ውሩይ ድምጻዊ ዓጂቦም ኣብ ዝኸድሉ እዋን፡ ቁጠዐኦም ይገልጹ ነይሮም።","category":"መራኸቢ ብዙሓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53233852"} {"headline":"\"ዝኾነ ሰብ ይቕረታ ናይ ምባል መሰል የብሉን\"፡ ሕጽይቲ ጀማል ካሾጊ","content":"ሕጽይቲ ብዘስካሕክሕ መገዲ ዝተቐትለ ስዑድ ዓረባዊ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ፡ ዝኾነ ሰብ ንቐተልቱ ይቕረ ናይ ምባል መሰል የብሉን ክትብል፡ ወዱ ንዝሃቦ ርኢይቶ ተቓዊማ። ወዱ፡ ንቐተልቲ ኣቡኡ ይቅረታ ከም ዝገበረ ተዛሪቡ ነይሩ። ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ፍሉጥ ነቓፊ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ኣብ ከተማ እስታንቡል ናብ ዝርከብ ኢምባሲ ስዑዲ-ዓረብ ክኣቱ ንመጠረሻ ግዜ ተራእዩ። ብድሕሪኡ ግን ካብቲ ህንጻ ክወጽእ ከም ዘይተራእየን ብኡ ኣቢሉ ሃለዋቱ ከም ዝጠፍአን ይግለጽ። መንግስቲ ንግስነት ስዑዲ-ዓረብ ግን ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ከም ዘይብሉ ከም ዝገልጽን፡ ብዘይ ኣፍልጦ እቲ መንግስቲ ብካልኦት ኣካላት ስተወስደ ስጉምቲ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። እቲ ንሳቶም ዘቕርቡዎ መርትዖ ግን፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ዓለምለኻዊ ትካላት ስለላን ካልኦትን ተኣማንነት ኣይረኸበን። ካሾጊ፡ ቅድሚ ምሟቱ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮይኑ ንዋሽንግተን ፖስት ይጽሕፍ ነይሩ። ንኩነታት ኣማውትኡ ዝምልከት ዝዋቓዕ ሓበሬታታት ይወጽእ'ኳ እንተነበረ፡ ጸኒሖም ግን ሰበ ስልጣን ስዑዲ፡ ሒዞም ናብ ሃገሩ ከምጽእዎ ብዝተልኣኸ ጉጅለ እዩ ተቐቲሉ ዝብል መግለጺ ኣውጺኦም። ኣብ ሪያድ ድሕሪ ዝተኻየደ ሕቡእ ምጽራይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ድማ፡ ኣብዚ ተሳቲፎም ዝተበሎም ሓሙሽተ ሽሞም ዘይተጠቕሰ ጥርጡራት ብታሕሳስ 2019 ብሞት ፈሪዱ። ፍልይቲ ራፖርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣግነስ ኮላማርድ፡ ነዚ ኣብ ስዑዲ ዝተኻየደ ፍርዲ \"ተጻራሪ ፍርዲ\" ክትብሎ እንከላ፡ ዘይሻራዊ ምጽራይ ክካየድ ትጠልብ። ሕጽይቲ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ሃቲስ ሴንጊዝ፤ \"ጀማል ካሾጊ ካብ ኩላትና ንላዕሊ ዝነኣድን ዝፍቶን ኣርማ ዓለም እዩ ነይሩ\" ክትብል ኣብ ትዊተር ጽሒፋ። ሴንጊዝ ወሲኻ፡ \"ጀማል ስነ ስርዓት መርዓና ንምፍጻም ዘድልዩ መረዳእታታት ከምጽእ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ኣብ ውሽጢ ናይ ሃገሩ ቖንስላ እዩ ተቐቲሉ። ቐተልቱ'ውን ንዕኡ ንምጥፋእን ዝኾነ ዓይነት መረዳእታ ንምሕባእን እኹል ምድላው ገይሮም ካብ ስዑዲ ዝመጽኡ'ዮም\" ኢላ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ነዚ ዘስካሕግሕ መቕተልቲ ዝፈጸሙ ሰባት ዝኾነ ሰብ ይቕረ ክገብረሎም መሰል የብሉን ኢላ። ፍትሒ ክሳብ ዝርከብ፡ ንሳን ካልኦትን ትም ከም ዘይብሉ ገሊጻ። ስድራ ካሾጊ እንታይ ኢሎም ነይሮም? እቲ መግለጺ ወዱ ንጀማል ካሾጊ ሳላሕ ኣብ ትዊተር ዝጠቅዖ ኾይኑ፡ ንሱ'ውን ጋዜጠኛ እዩ። \"ኣብዚ ቅዱስ ወርሒ፡ ሓደ ሰብ ይቕረ ኢሉ ዕርቂ እንተኣውሪዱ ዓስቡ ካብ ኣላህ ይረክብ እዩ ዝብል። ስለ ዝኾነ ድማ ደቁ ንሰማእት ጀማል ሃሾጊ፡ ኣቦና ንዝቐተሉዎ ኩሎም ይቕረ ኢልናዮም ኣለና። ጻማና ድማ ካብ ፈጣሪ ንጽበ\" ኢሉ። ሳላሕ፡ ኣብ ጅዳ እዩ ዝነብር። ብመሰረት ሕጊ እስላም፡ ሓደ ስድራ ይቕረ እንተይሉ ተፈሪዱ ዝነበረ ናይ ሞት ፍርዲ ክቕየር ይኽእል እዩ። እንተኾነ፡ እዚ ኣሰራርሓ ኣብ ጉዳይ ቐተልቲ ጀማል ካሾጊ ክትግበር ድዩ ዝብል ግልጺ ኣይኮነን። ሳላሕ ቅድም ኢሉ'ውን መንግስቲ እታ ሃገር ዘካይዶ ዘሎ ምጽራይ ከም ዝድግፍ ብምግላጽ፡ ሞት ኣቡኡ ስዒቡ \"ጸላእትን ተቓወምትን\" ስዑዲ ዓረብ ዝኾኑ ሞት ኣቡኡ ምኽንያት ገይሮም መሪሕነት እታ ሃገር ከግድዑ ፈቲኖም ንዝበሎም ነቒፉ ነይሩ። ዝሓለፈ ዓመት፡ ደቁ ንጀማል ካሾጊ ካሕሳ ሞት ኣቡኦም መንበሪ ገዛውትን ወርሓዊ ድጎማ ገንዘብን ረኺቦም ክብል ዋሽንግተን ፖስት ጸብጺቡ ነይሩ። ጀማል ጋሾጊ፡ ካብ 2017 ጀሚሩ ብስደት ኣብ ኣሜሪካ እዩ ዝነብር ነይሩ። ብኽልተ ጥቅምቲ 2018 ግን ንመርዓ ዘድልዩዎ ሰነዳት ንምርካብ ኣብ ኢስታንቡል ናብ ዝርከብ ቆንስል ስዑዲ ከይዱ ። ሕጽይቱ ኣብ ደገ ኮይና እናተጸበየቶ እንከላ፡ ወዲ 59 ዓመት ካሾጊ ኣብ ውሽጢ ተቐቲሉ፡ ኣካላቱ ተቖራሪጹ፡ ክሳብ ሕጂ ድማ ኣካላቱ ኣይተረኸበን።","category":"መራኸቢ ብዙሓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52766199"} {"headline":"ድሕሪ 43 ዓመታት ስልጣን ምጽጋብ ዝሰኣነ መላኺ፡ ሕጂ'ውን ‘ተዓዊቱ’","content":"ኣብ ዓለም፡ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ስልጣን ዝበሓተ ፕረዚደንት ኢኳቶርያል ጊኒ፡ ሕጂ’ውን ኣብ መረጻ ተዓዊቱ፡ ምልካዊ ስርዓቱ ምምራሕ ክቕጽል ምዃኑ ብወግዒ ተገሊጹ። እቲ 80 ዓመት ዝዕድመኡ ቴዎዶሮ ኦብያንግ ንጉማ ምባሶጎ፡ ​​ዳርጋ 95% ድምጺ ከምዝረኸበ፡ ሰበስልጣን እታ ሃገር ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልታት ድሕሪ መስርሕ ምሃብ ድምጺ ኣፍሊጦም። ምክትል ፕረዚደንት ‘ታ ሃገር ዝዀነ ወዱ ነቲ ፕረዚደንት፡ ቴዎዶሮ ንጉማ ኦብያንግ ማንጉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ \"እቲ ውጽኢት ኣካይዳና ቅኑዕ ከምዘሎ መመሊሱ ዘረጋግጽ እዩ” ኢሉ። \"ዓቢ ውድብ ኴንና ክንቅጽል ድማ ኢና፡\" ይውስኽ። ኣብቲ መረጻ፡ ገለ ሕጹያት ተወዳደርቲ ተቓወምቲ ውድባት ተሳቲፎም’ኳ እንተነበሩ፡ ዋላ ሓደ ካብኣቶም ግን ክዕወት ትጽቢት ዝገበረ ኣይነበረን። ፕረዚደንት ኦብያንግ፡ ኣብታ ብነዳዲ ሃብታም ዝዀነት ሃገር ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ኣባላት ስድራኡ ንቐንዲ መንግስታዊ ጽፍሕታት ከምዝሕዝዎ ብምግባር፡ ስልጣኑ ን 43 ዓመታት ኣጽኒዑ ዝሓዘ መላኺ እዩ። ንሱ፡ ኣብ 1979 ድሕሪ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ዝሓዘ ኰይኑ፡ ኣንጻሩ ንዝተኻየዱ ሓያለ ፈተነታት ዕልዋ መንግስቲ ኣፍሺሉ እዩ። እቲ ፕረዚደንት፡ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረን ሓውኣቦኡ ፍራንሲስኮ ማስያስ ንጉማ ስልጣን ድሕሪ ምምንዝዑ፡ ገለ ጽገናታት’ኳ እንተገበረ፡ ነቲ ዝነበረ ሃገር ናይ ምቝጽጻር ኣገባብ ግን ዓቂቡ ቀጺልዎ፣ ነታ ሃገር ፍጹም ኣብ ትሕቲ ምቍጽጻሩ ኣእትይዋ እዩ። ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ዘሎ ስእነት ነጻ ፕረስ፡ ከምኡ’ውን ኵሉ ኣገባባት መራኸቢ ብዙሃን ብቐጥታ ብመንግስቲ ወይ ብመሻርኽቱ ዝዀና ትካላት ስለዝውነን፡ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ኣይጽወርን እዩ። ኣቐዲሙ፡ ክቐርበሉ ንዝጸንሐ ክሲታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ምትላል መረጻን ዝነጸገ ፕረዚደንት ኦብያንግ፡ እዚ ንሻድሻይ ግዜኡ ዘካየዶ መረጻ ነቲ ኣብ ዓለም ዘለዎ ገጽ ንምጽራይ ክጥቀመሉ ከም ዝዓለመ ይንገር። መንግስቲ ኦብያንግ፡ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም መቕጻዕቲ\/ፍርዲ ሞት ብምስራዙ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ናእዳ ረኺቡ እዩ። ኢኳቶርያል ጊኒ መረጻ ብምትላል ፍሉጥ ታሪኽ ዘለዋ ሃገር እያ። እታ ሃገር፡ ኣብ 1968 ካብ ስጳኛ ናጽነታ ድሕሪ ምርካባ፡ ‘ሪፓብሊክ ኢኳቶርያል ጊኒ’ ተባሂላ፡ ፍራንሲስኮ ማስያስ ንጉማ ኸኣ ፕረዚደንታ ኰይኑ። እታ ድሕሪ ናጽነታ ክልተ መራሕቲ ጥራይ ዝረኣየት ሃገር፡ ክልቲኦም መራሕታ - ፍራንሲስኮ ማስያስ ንጉማን ቴዎዶሮ ኦብያንግ ንጉማን - ካብቶም ዝኸፍኡ ገሃስቲ መሰላት ኣፍሪቃ ተባሂሎም ብተጣበቕቲ ይኽሰሱ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4nrr17wv44o"} {"headline":"ኢሎን መስክ፡ ንኣባላት ቦርድ ዳይረክተራት ትዊተር ኣባሪሩ","content":"ኢሎን መስክ ንዅሎም ኣባላት ቦርድ ዳይረክተራት ትዊተር ካብ ስራሕ ብምስጓግ ነቲ ብ44 ቢልዮን ዶላር ዝዓደጐ ትዊተር ንምቍጽጻርን ንምቕያርን ዘለዎ መደብ ኣርእዩ። ካብ ዓለም ዝሃብተመ ኢሎን መስክ፡ ንትዊተር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዝዕድጐ ኣብቲ ግዙፍ ማሕበራዊ ሚድያ ምስጓግ ላዕለዎት ሓለፍቲ ትዊተር ዝርከብዎ ብዙሓት ለውጥታት’ዩ ገይሩ ዘሎ። ኢሎን ብተወሳኺ ዘተኣታተዎ ነገር፡ ምጕዳል ሰራሕተኛታትን፡ ንሕሳባት ትዊተር ቅኑዕ ድዩ ስኑዕ ንምልላይ ዘኽእል ኣገባብን’ዩ። ዋሽንግተን ፖስት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ካብ ሰራሕተኛታት ትዊተር 25 ሚእታዊት ንምጕዳል ይዝተየሉ ከምዘሎ ምንጭታቱ ብምጥቃስ ኣቃሊሑ። ቢቢሲ ብዛዕባ'ዚ ምጕዳል ሰራሕተኛታትኣመልኪቱ ንትዊተር’ኳ እንተተወከሰ፡ መልሲ ክረክብ ግን ኣይክኣለን። ሓደ ካብ መስረትቲ ትዊተር ዝዀነ ጃክ ዶርሰይ፡ ኣብዚ ኢሎን መስክ ዝዓደጐ ትዊተር ናይ 978 ሚልዮን ዶላር ዝትመን ብርኪ ከምዘለዎ ክጸንሕ ምስ ኢሎን መስክ ከምዝተሰማምዐ’ውን ይግለጽ ኣሎ። ጃክ ዶርሰይ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ካብ ኣባልነት ቦርድ ዳይረክተራት ትዊተር ብገዛእ ፍቓዱ ከምዝተኣለየ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኢሎን መስክ ንትዊተር ምዕዳጕ ኣዝዩ ቅኑዕ ስጕምቲ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ። ኣብ ትዊተር ኣብ ጐድኒ እቲ ስም ብሰማያዊ ሕብሪ ምልክት ዝግበረሎም ሰባት፡ እቲ ሕሳብ ብሓቒ ናቶም ከምዝዀነ ዘመልክት ኰይኑ፡ ትዊተር ነቶም ብሰማያዊ ‘ቲክ’ ዘለዎም ሰባት ወርሓዊ  20 ዶላር ከኸፍሎም ከምዝኽእል’ዩ ግምታት ዘሎ። ወናኒ ትካል መካይን ኤለክትሪክ ተስላ ዝዀነ ኢሎን መስክ፡ ንትዊተር ድሕሪ ምዕዳጉ፡ ላዕለዋይ ዳይረክተር ትዊተር ምዃኑ ዝሕብር ኣብ ሕሳብ ትዊተሩ ለጢፉ ኣሎ። ካብቶም ካብ ስራሕ ኣባልነት ቦርድ ዳይረክተራት ትዊተር ዝተሰጐጉ ትሽዓተ ኣባላት፡ ብረይት ተይሎርን ፓራግ ኣግራዋልን ይርከብዎም።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c88jee5052wo"} {"headline":"ናፅነት ፕረስ፡ ጋዜጠኛ ተመስገን ደሳለኝ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ተገሊፁ","content":"ማኔጂንግ ዳይሬክተር መፅሔት 'ፍትህ' ጋዜጠኛ ተመስገን ደሳለኝ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ መሳርሕቱ ንቢቢሲ ኣረጋጊፆም። ተመስገን ሎሚ ሓሙስ [26\/05\/2022] ቅድሚ ቀትሪ ካብ ናይ ስራሕ ቦትኡ ከምዝተወሰደ'ውን እቶም ኣስማቶም ክግለፅ ዘይደለዩ መሳርሕቱ ሓቢሮም። እቶም ኣብ ቀይዲ ዘውዓልዎ ድማ ወተሃደራዊ ልብሲ ዘይገበሩ ዕጡቓት ከምዝኾኑ ኣረዲኦም። ቅድሚ መዓልታት \"ተመስገን ተኣሲሩ\" ዝብል ሓበሬታ ወጺኡ ብምንባሩ ቢቢሲ ነዚ ከፃርይ ናብቲ ጋዜጠኛ ደዊሉ ሓቲትዎ ነይሩ። ተመስገን ሽዑ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ኣብ ቀይዲ ክውዕል ምዃኑ ሓበሬታ ከምዘለዎ'ዩ ገሊፁ። \"ክሳብ ሎሚ ሓበሬታ ብምሃብ ዝተሓባበሩኒ ዝነበሩ ኣባላት መሪሕነት ድሕንነት ሃገር ዝነበሩ ምንጪታተይ ኣብ ቀይዲ ክኣትው ከምዝኽእል ነጊሮምኒ'ዮም\" ክብል ተዛሪቡ። ናብ ማእሰርቲ ከቃልዖ ዝኽእል ምኽንያት ክገልፅ ከሎ ድማ \" መንግስቲ መሊኡ ናብ ውልቀ-መላኽነት ይቕየር ስለዘሎ ንተግባራቱ ከቃልዑ ዝኽእሉ ሚድያታት ናብ ምዕፋን ኣትዩ'ሎ\" ክብል ኣረዲኡ። ንማእሰርቲ እቲ ጋዜጠኛ ብዝምልከት ካብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኮነ ፌደራል ፖሊስ ዛጊድ ዝሃብዎ መብርሂ የለን። ቢቢሲ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ናብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ሕቶ ንምቕራብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን። ተወከልቲ ኣብያተ ፅሕፈት ፖሊስ ፌደራልን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ብሓሙስ 18 ግንቦት 2014 [ኣቆፃፅራ ግእዝ] ንመራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፡ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ልዕሊ 340 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ሓቢሮም'ዮም። እቶም ሰባት ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉሉ ምኽንያት ድማ ብግብረ-ራዕዲን ካልኦት ገበናትን ስለዝተጠርጠሩ ከምዝኾነ ጠቒሶም። ጋዜጠኛ ተመስገን ወናንን ዋና ኣሰናዳእን ጋዜጣን መፅሔትን ኮይኑ ኣብ ዝሰርሐሎም እዋናት ንመንግስቲ ዝነቕፉ ጽሑፋት ብምድላው ይፍለጥ። ብተደጋጋሚ ከኣ ናይ ሕትመት ውጽኢታቱ ክእገዱ ካብ ምግባር ሓሊፉ ንማእሰርቲ ከምዝተቓልዐ ይዝከር። ኣብዚ ቕነ ብዘይካ ተመስገን ብውሕድ 11 ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት ትካላት ሚድያን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ክልል ኣምሓራ ከምዝተኣሰሩ ዝሕብሩ ፀብጻባት ይወጽኡ ኣለዉ። ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ናይቲ 'ኣሻራ' ብዝብል ዝፍለጥ ብዩቱዩብ ዝፍኖ ሚድያ፤ 4 ካብ ቻነል ንስር ኢንተርናሽናል ብሮድካስቲን፣ መስራቲትን ዋና ኣሰናዳኢትን ናይቲ 'ኢትዮ ንቃት' ዝተብሃለ ሚድያ መስከረም ኣበራ ከምኡ ድማ መስራትን ወናንን ገበያኑ ሚድያ ጋዜጠኛ ሰሎሞን ሹምዩ ካብ ሞንጎ እቶም ዝተኣሰሩ ይርከብዎም። ኣሜሪካ በቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲኣ ኣቢላ ኣብ ዘውጽኣቶ ሓጺር መግለፂ፡ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ማሕበራዊ ነጠፍትን ከምዘሻቐላ ሓቢራ'ላ። 'ሲፒጄ'ን 'ኣርኤስኤፍ'ን ዝተብሃሉ ዓለምለኻውያን ተጣበቕቲ መሰላት ጋዜጠኛታት ኣብ ዘውፅእዎም መግለፂታት፡ እዞም ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ብቕልጡፍ ክፍትሑ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፃውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61595445"} {"headline":"ውሩይ ፓኪስታናዊ ጋዜጠኛ ኣብ ኬንያ ተቐቲሉ","content":"ውሩይ ፓኪስታናዊ ጋዜጠኛ ኣርሻድ ሸሪፍ፡ ብሰንበት ኣብ ኬንያ ብፖሊስ ብዝተተኮሰ ጥይት ድሕሪ ምቕታሉ፡ ነቲ ጉዳይ ንምጽራይ ምርመራ ተጀሚሩ። ብመሰረት ካብ ፖሊስ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ብመኪና ይጓዓዝ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ደው ክብል ብዘይምኽኣሉ፡ “ንሞት ብዘብፅሕ ኵነታት ተጐዲኡ” ከም ዝነበረ ተፈሊጡ። ጋዜጠኛ ሸሪፍ፡ ነቓፊ ሰራዊት ፓኪስታንን ደጋፊ እቲ ካብ ስልጣን ዝተዓለወ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢምራን ክሃን'ዩ ነይሩ። ወዲ 49 ዓመት ጋዜጠኛ ኣርሻድ፡ ዝሓለፈ ነሓሰ እዩ፡ \"ይጋፋዕ ኣለኹ\" ብዝብል ሃገሩ ሓዲጕ ዝወጽአ። ናብ ኬንያ ቅድሚ ምምፅኡ ድማ፡ ኣብ ብሪጣንያን ዱባይን ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብታ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኬንያ እንታይ ይሰርሕ ከም ዝነበረ ግን ብንፁር ዝተፈለጠ ነገር የለን። ምስዚ ቕትለት ተኣሳሲሩ፡ ትማሊ ሰኑይ ጋዜጠኛታት ኣብ ፓኪስታን ከተማ ካራቺ ሰልፊ ተቓውሞ ኣካይዶም። ዘይሻራዊ በዓልመዚ ተቘጻጻሪ ፖሊስ ኬንያ (Ipoa)፡ ናብቲ ብሰንበት ምሸት ተዅሲ ዝተፈጸመሉ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ዝርከብ ካጅያዶ ዝተበሃለ ዞባ፡ ጕጅለ ቅልጡፍ ግብረመልሲ ከምዝለኣኸ ገሊጹ። ሓለቓ እቲ ዘይሻራዊ በዓልመዚ ተቘጻጻሪ ፖሊስ ኣን ማኮሪ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እዚ ጕጅለ “ንቕትለት እቲ ፓኪስታናዊ ጋዜጠኛ” ከም ዝምርምር ተዛሪባ። ፖሊስ ኬንያ፡ \"በቲ ክስተት” ከም ዝሓዘነ ገሊፁ። መኮንናት መገዲ ዓጽዮም ዝተሰረቐት መኪና ይደልዩ ከምዝነበሩ ዝሓበረ እቲ መግለጺ፡ መኪና መዋቲ ናብቲ ብፖሊስ ዝተሓጽረ መገዲ መጺኣ። ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ’ዩ ተዅሲ ተኸፊቱ” ይብል ። ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ሻህባዝ ሸሪፍ፡ በቲ ዘሰንብድ ዜና ሞት ጋዜጠኛ ኣርሻድ ሸሪፍ ከምዝሓዘነ ብመገዲ ትዊተር ገሊጹ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሻህባዝ፡ ንፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ “ፍትሓውን ግሉጽን ምርመራ ንኽካየድ” ከምዝሓተተ ዝሓበረ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሬሳ እቲ ጋዜጠኛ  ብቕልጡፍ ናብ ሃገሩ ፓኪስታን ንኽምለስን ዘድሊ ሓገዝ  ንምግባርን ቃል ኣትዩለይ’ዩ” ኢሉ። ሚኒስተር ሓበሬታ ፓኪስታን ማርያም ኣውራንግዘብ፡ ሰባት ኣብ ጉዳይ ሞት እቲ ጋዜጠኛ ግምት ካብ ምሃብ ክቝጠቡ ኣጠንቂቓ። በዓልቲ ቤት ጋዜጠኛ ኣርሻድ ሸሪፍ ጃቬርያ ሲዲክ፡ “መሓዛይ፡ በዓል ቤተይን ዝፈትዎ ጋዜጠኛን እየ ስኢነ” ክትብል ብመገዲ ትዊተር ሓቢራ። ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ነበር ኢምራን ክሃን ብወገኑ፡ “ሓቀኛን ፍትሓዊ ምርመራ” ክካየድ ብምጽዋዕ፡ “ሓቂ ስለዝተዛረበ ኣብ መወዳእታ እዚ ዋጋ ከፊሉ” ክብል ገሊጹ። ክሃን፡ ናይ መተኣማመኒ ድምጺ ድሕሪ ምስኣኑ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሚያዝያ እዩ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ። ንዕኡ ዝድግፍ ዝነበረ ጋዜጠኛ ኣሽራድ ድማ፡ ኤጀንሲ ምርመራ ፌደራል ከጋፍዖ ምስ ጀመረ ኣማሪሩ ነታ ሃገር ራሕሪሑ ከም ዝወጽአ ይፍለጥ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cjme7r40kmno"} {"headline":"ኤርትራ፡ እቶም ንልዕሊ 21 ዓመታት ዝተሰወሩ ኣባላት ጉጅለ-15 መን'ዮም?","content":"ብ18 መስከረም 2001፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኤርትራ ዝነበሩ ፖለቲከኛታት፡ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ዝተመደበሉ እዋን ክእከብን ቅዋም ክትግበር፡ ንፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ምሕታቶም ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣትው 21 ዓመት ኰይኑ'ሎ። ዝበዝሑ ካብቶም ብጉጅለ-15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ነበር፡ ኣብ እዋን ሰውራ ኤርትራ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለን ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ'ዮም። ካብቶም ሕቶ ዘቕረቡ፡ ኣባላት 'ጉጅለ 15' እቶም ዓሰርተ ሓደ፡ 18 መስከረም 2001 ኣብ ቀይዲ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ካልኦት 4 ኣባላት እቲ ጕጅለ ግን ናብ ስደት ከምርሑ ዝተገደዱ እዮም። ሓደ ካብኦም፡ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ግን ኣብ ለካቲት 2021 ብሞት ተፈልዩ። እቶም ኣብ ስደት ብሂወት ዝርከቡ ሰለስተ ድማ፡ ሚኒስተር ምክልኻልን ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብን ዝነበረ ኣቶ መስፍን ሓጎስ፡ ኣመሓዳሪ ከተማ ደቀምሓረ ዝነበረን ገዲም ተጋዳላይ ሰውራ ኤርትራን ኣቶ መሓመድ ቡርሃን ብላታን፡ ከምኡ'ውን ኣብቲ እዋን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረን ንነዊሕ እዋን ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ኰይኑ ዘገልገለን ኣቶ ሃይለ መንቀርዮስን እዮም። ንምዃኑ፡ እቶም ክሳብ ሎሚ ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ 11 ላዕለዎት ሓለፍትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ነበር በዓል መን እዮም? 1. ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ እዩ። ድሕሪ ናጽነት፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን ዝነበረ ኰይኑ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይን ሚኒስተር ዞባዊ ምምሓዳርን ኰይኑ እውን ዝሰርሐ እዩ። 2. ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ከምኡ'ውን ኣባል ካቢነ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበረ እዩ። ብደረጃ ሚኒስተርነት ከኣ፡ ሚኒስተር ፋይናንስ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ከምኡ'ውን ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትሪን ኰይኑ ሰሪሑ። 3. ጴጥሮስ ሰሎሞን፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን ኣባል ካቢነ መንግስቲ ኤርትራን ኮይኑ ኣገልጊሉ። ብደረጃ ሚኒስተርነት ከኣ ሚኒስተር ምክልኻል፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ከምኡ'ውን ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳ ኮይኑ ሰሪሑ። 4. ሜጀር ጀነራል ብርሃነ ገብረእግዚኣብሄር፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ እዩ። ድሕሪ ናጽነት፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ፡ ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ምክልኻል ኤርትራ፡ ከምኡ ድማ ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትርን ኰይኑ ዝሰርሐ እዩ። 5. ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ፡ ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትርን ከምኡ እውን ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልካል ኤርትራ ዝነበረ እዩ። 6. በራኺ ገብረስላሰ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ እዩ። ድሕሪ ናጽነት፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን፡ ሚኒስተር ትምህርቲ፡ ሚኒስተር ዜና ከምኡ'ውን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሃገረ ጀርመን ኰይኑ ሰሪሑ። 7. ብርጋዴር ጀነራል እስቲፋኖስ ስዩም፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን ዳይረክተር ጀነራል ኣታዊታት ውሽጢ ሃገር፡ ከምኡ'ውን ሓላፊ ስታፍ ፋይናንስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝነበረ እዩ። 8. ጀርማኖ ናቲ፡ ካብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ጀሚሩ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን ከምኡ ድማ ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ ባርካ ዝነበረ እዩ። 9. ሳልሕ እድሪስ ኬክያ፡ ካብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ጀሚሩ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ እዩ። ኣብ 1994 ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ኰይኑ ዝተመረጸ፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ፡ ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ከም እውን ሚኒስተር መጓዓዝያን መራኸቢታትን ነይሩ። 10. ሓምድ ሕምድ፡ ካብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ጀሚሩ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ እዩ። ኣብ 1994 ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ኰይኑ ዝተመረጸ፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ፡ ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ሰንሒት፡ ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሱዳን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ዳይረክተር ጀነራል ጠረጴዛ ማእከላይ ምብራቕ ኰይኑ ሰሪሑ። 11. ኣስቴር ፍስሃጽዮን፡ ካብ 1994 ክሳብ 2001 ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ከምኡ'ውን ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ነይራ። ከምኡ ድማ ኣብ ሚኒስtሪ ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ዳይረክተር ጀነራል ኰይና ዘገልገለት እያ። ብተወሳኺ፡ ተደናገጽቲ እቲ ምንቅስቓስ ዝተበሃሉን፡ ጋዜጠኛታት ብሕትን፡ ካልኦት ላዕለዎትን ታሕተዎትን ካድራት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ተኣሲሮምን ሃለዋቶም ዘይፍለጥ ከምዘለዉ ይግለጽ። ካብ መስከረም 2001 ጀሚሮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ፡ ጋዜጠኛታትን ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ነበር ዝርከብዎም እሱራት፡ ካብታ ዝተኣሰሩላ ዕለት ጀሚሮም ምስ ዝኾነ ሰብ ከይራኸቡ ተገሊሎም ዝተኣሰሩ ኮይኖም ይቕጽሉ ኣለዉ። ዝዀነ ሰብ ክበጽሖም፡ ጠበቃ ክግበረሎም ምስ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ቤተሰቦምን ከይራኸቡ ተኸልኪሎም ኣለዉ። መንግስቲ ኤርትራ ንዅነታት እዞም እሱራት ከም ምስጢር ሒዙ፡ ንዝዀነ ኣካል ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ ይርከብ። ነዞም እሱራት ብዘይካ እቶም ብቐረባ ዝሕልውዎም ዋርድያታት ዝዀነ ካልእ ሰብ ክርእዮም ይዅን ክበጽሖም ዝፍቀድ ኣይኮነን። ብሂወት ይሃልዉ ኣይሃልዉ እውን ካብ መንግስቲ ዝተወሃበ ወግዓዊ ሓበሬታ ክሳብ ሕጂ የለን። ዝበዝሑ ካብኣቶም ግን ኣብ ቀይዲ እንከለው ሞይቶም እዮም ተባሂሉ ይእመን። እዞም ኣብ መስከረም 2001 ዝተኣሰሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ነበር፡ ኣብ መጀመርታ ኣብ እምባትካላ ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ሰነ 2003 ናብ ዒራዒሮ ዝበሃል ቦታ ከምዝተሰጋገሩ ይንገር። ሃገራዊ ባይቶ፡ ኣብ መወዳእታ ጥሪ 2002 ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ ንጕጅለ 15 'ከዳዓትን ፈላለይትን' ክብል ገሊጽዎም ነይሩ። እቲ ባይቶ ብተወሳኺ፡ 'ንፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ፈቲኖም' ክብል ጠቒስዎም እዩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንህሉው ኵነታት እሱራት ካብ ምግላጽ ተቘጢቡ እዩ ዘሎ። ኣብ 2010፡ ብናይ ቀጠር ጋዜጠኛ ንዅነታት ጕጅለ 15 ተሓቲቱ ኣብ ዝመለሰሉ፡ \"ብዛዕባ እዚ ዝፈልጦ ነገር የብለይን፡ እዚ ጉዳይ እንተተረሰዐ ይሓይሽ\" ኢሉ መሊሱ ነይሩ። ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ግንቦት 2008 ምስ ኣልጀዚራ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ'ውን ብዛዕባ ምስዞም ላዕለዎት ሓለፍቲ ተኣሲሮም ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝተሓተተሉ \"ዝተኣሰሩ ኣይነበሩን፡ ዝተኣሰሩ የለዉን፡ ዝንቡዕ ሓበሬታ ኢኻ ሒዝካ ዘለኻ\" ክብል መሊሱ ነይሩ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c6pznjz67ywo"} {"headline":"ጋዜጠኛ ተመስገን ብፖሊስ ከምዝተወቕዐ ተገሊፁ","content":"ጋዜጠኛ ተመስገን ደሳለኝ ብፖሊስ መውቃውቲ ከምዝተፈጸሞ ጠበቕኡን ሓዉን ተዛሪቦም። ንእሽቶ ሓዉ፡ ታሪኩ ደሳለኝ ኣብ ልዕሊ ተመስገን ማህረምቲ ዝተፈጸመ ኣብቲ ተኣሲሩ ዝርከበሉ 'ሶስተኛ' ዝተብሃለ መደበ ፖሊስ፡ ብሓሙስ 25 ግንቦት 2014 (ኣቆፃፅራ ግእዝ) ከምዝኾነ ሓቢሩ። ታሪኩ ንጋዜጠኛ ተመስገን ክበጽሖ ናብቲ መደበር ፖሊስ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ኣብ ሞንጎኦም ርሕቐት ብምንባሩ ክሰማምዑ ስለዘይከኣሉ፡ ተመስገን ክጽጋዕ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ምስ ኣባላት ፖሊስ ዘይምርድዳእ ስለዝተፈጠረ ማህረምቲ ከምዝተፈጸሞ ኣረዲኡ። \"ኣብ ሞንጎ እሱርን በጻሕን ዘሎ ርሕቐት ሰፊሕ'ዩ። ኣብ ተመሳሳሊ ጊዜ ልዕሊ 10 ሰብ እዩ ዝዛረብ። ዓውዓውታ ኣሎ። ቅድሚ ሎሚ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ እዝኑ መጉዳእቲ ኣጋጢምዎ እዩ። በዚ ኩነታት ክሰምዕ የጸግሞ እዩ\" ዝብል ታሪኩ፡ ፅግዕ ኢሉ ክዘራረብ ሕቶ ምስኣቕረበ ማሕረምቲ ከምዝተፈጸሞ ገሊፁ። \"ኣብ ቅድሚ ዓይንና ብእግሮምን ብጉስጢትን ወቒዖምዎ። ብድሕሪኡ ናብቲ ናይ እሱራት ክፍሊ ዘይኮነስ ናብ ካልእ ወሲዶምዎ። 'ክንሪኦ' ኢልና ምስሃወኽናዮም ድሕሪ 40 ደቓይቕ ኣውፂኦም ንኽልተ ደቓይቕ ክንሪኦም ጌሮም። ኣብ ትሕቲ ፀጋማይ ዓይኑ ሓቢጡ ነይሩ። ተኸዲንዎ ዝነበረ ክዳን እውን ተቐዲዱ። ክንገብሮ ንኽእል ዋላ ሓደ ነገር ኣይነበረን። ንጠበቕኡ ነጊርናዮ ወፂእና\" ይብል ነቲ ኹነታት ከብርህ ከሎ። ጠበቓ ጋዜጠኛ ተመስገን ዝኾነ ኣይተ ሄኖክ ኣክሊሉ እቲ ጋዜጠኛ ብሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ማህረምቲ ከምዝተፈጸሞ ካብ ኣባላት ቤተሰቡ ከምዝሰምዐ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ንእሽቶ ሓዉ ክሓቶ ከይዱ ግን ክደማመፁ ስለዘይከኣሉ ክፅጋዕ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን እቲ ዘይምርድዳእ ከምዝተፈጠረ ብምሕባር \"ኣብ ሓለዋ ዝነበሩ ኣባላት ፀጥታ ንተመስገን ጎቲቶም ናብ ውሽጢ ብምእታው ወቒዖምዎ። ብድሕሪኡ ቤተሰቡ ክርእይዎ ከለዉ ክዳኑ ተቐዳዲዱን ጉድኣት በጺሕዎን ነይሩ\" ኢሉ። \"ተመስገን ብኣካላት ፀጥታ ማህረምቲ እንተተፈጸሞ'ኳ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ኮነ ናብ ካልእ ዝምልከቶ ኣካል ጥርዓን ከቕርብ ስለዘይደለየ ናይ ቅረታ መመልከቲ ኣየእተናን ዘለና\" ክብል እቲ ጠበቓ ሓቢሩ። ቅድሚ ሰሙን ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ጋዜጠኛ ተመስገን ደሳለኝ፡ \"ናዕቢን ዕግርግርን ብምጉህሃር\" ተጠርጢሩ 19 ግንቦት 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ነይሩ። ፖሊስ ኣብቲ እዋን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ተመስገን እናተኸፈሎ ኣብ ዝተፈላለያ ሚድያታት ብምቕራብ \"ናዕብን ዕግርግርን ብምጉህሃር\" ከምዝተጠርጠረ ኣረዲኡ። ጠበቓ ሄኖክ ኣክሊሉ፡ ጋዜጠኛ ተመስገን ምስ ኣብቲ ቅነ ዝተኣሰረት መስከረም ኣበራ ዝተብሃለት መስራቲት ሓደ ናይ ዩ ቱዩብ ቻነል፡ ነቲ ጉዳዮም ዝቐረበሉ ቤት ፍርዲ ሓደ ሕቶ ከምዘቕረቡ ይገልፅ። እቲ ሕቶ ድማ \"ክስና ክረኣይ ዘለዎ ብኣዋጅ መራኸቢ ብዙሃን እምበር ብሕጊ መቕፅዒ ገበን ክኸውን የብሉን\" ዝብል ኮይኑ፡ ቤት ፍረዲ ግን ንቕርትኦም ኣይተቐበሎን። በዚ ምኽንያት ከኣ ትማሊ ይግባይ ሓቲቶም ኣለዉ። ማኔጂንግ ዳይሬክተር መፅሄት ፍትህ ጋዜጠኛ ተመስገን ብ19 ግንቦት 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ካብ ዝሰርሓሉ ቦታ ብኣካላት ፀጥታ ናብ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ አበባ ከምዝተወሰደ ይዝከር። ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ ድማ ኣብ ቤት ፅሕፈቱን መንበሪ ገዝኡን ፈተሻ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝተሓተመት መፅሄት ፍትህ፣ 'ሃርድ ዲስክታት' ን ካልኦት ሰነዳትን ከምዝተወሰዱ እቲ ጠበቓ ተዛሪቡ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyelz7x90ygo"} {"headline":"ሜዳሊያ ኖቤል ሩስያዊ ጋዜጠኛ ሙራቶቭ ብ103.5 ሚሊዮን ዶላር ተጫሪቱ","content":"ሩስያዊ ዋና ኤዲተር ናይ ብሕቲ ኖቫያ ዝተሰመየት ጋዜጣ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተዋህቦ ሜዳልያ ሽልማት ኖቤል ሰላም ብ103.5 ሚሊዮን ዶላር ኣጫሪቱዎ። ዲመትሪ ሙራቶቭ፡ ኩሉ እቲ ካብ መሸጣ እዚ ሜዳልያ ዝርከብ ገንዘብ ኣብ ዩክሬይን ብዝካየድ ዘሎ ኲናት ንዝተሰደዱ ከም ዝውዕል ሓቢሩ። ጋዜጣ ኖቫያ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ምስ ፈጸመት ኣብ ወርሒ መጋቢት ስርሓ ጠጠው ኣቢላ’ያ። መንግስቲ፡ ዝዀነ ነቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዝወሰደቶ ስጉምቲ “ኲናት” ኢሉ ዝገለጾ ከቢድ መቕጻዕቲ ከም ዝወርዶ ድሕሪ ምግላጹ’ያ እታ ጋዜጣ ስርሓ ጠጠው ኣቢላ። ክረምሊን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝተወስደ ስጉምቲ “ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት” ክትብል እያ ትገልጾ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዚያ ሙራቶቭ፡ ኣብ ባቡር ተሳፊሩ እናኸደ እንከሎ ቀይሕ ዝተበጽበጸ ፈሳሲ ናብ ዝባኑ ተደፊኡዎ። እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀሰብ “ሙራቶቭ፡ እዚ ምእንቲ ኣሕዋትና”ዩ’ ክብሎ ተሰሚዑ። እታ ባቡር ካብ ሞስኮ ናብ ሳማራ'ያ ትኸይድ ነይራ። ሙራቶቭ፡ ብ1993 [ኣቆጻጸዕራ ኤውሮጳ] ሕብረት ሶቭየት ድሕሪ ምፍራሱ ንጋዜጣ ኖቫያ ካብ ሞንጎ ዝመስረቱ ጋዜጠኛታት እዩ። ካብ 2000 ኣትሒዙ ድማ፡ ሽዱሽተ ጋዜጠኛታትን ተሓባበርትን እታ ጋዜጣ ምስ ስርሖም ብዝተሓሓዝ ተቐቲሎም። መሸጣ ሜዳሊያ ሙራቶቭ ኣብ ኒውዮርክ ዝካየድ ዘሎ ኰይኑ፡ ዩኒሴፍ ካብ ዩክረይን ንዝተመዛበሉ ህጻናት ንምሕጋዝ ዝገብሮ ሰብኣዊ ምላሽ ዝሕግዝ ከም ዝዀነ ተገሊጹ። ሙራቶቭ ብ2021፡ ኣብ ሩስያ ንናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ብምቅላስ ምስ ፍሊፒናዊት ኣመሪካዊት ማሪያ ሪሳ ጋዜጠኛ ብምዃን ሽልማት ኖቤል ሰላም ከም ዝወሰደ ይዝከር። ሪሳን ሙራቶቭን፡ መራሕቲ ሃገሮም ዘቘጥዑ መርመራዊ ጸብጻባት ብምሕታም ዝፍለጡ ጋዜጠኛታት ኰይኖም፡ ምልክት ቃልጺ ናጽነት ፕረስ ተገይሮም ይውሰዱ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c04g1nekl88o"} {"headline":"ትዊተር፡ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ኣንቢርዎ ዝነበረ እገዳ ከልዕል ተገዲዱ","content":"ኤሎን ማስክ፡ ኣብ ልዕሊ፡ እቲ ቢልዮነር ዝምልከት ዝተፈላለዩ ሓበሬታ ኣቃሊሖም ዝበሎም ሓያሎ ጋዜጠኛታት ኣንቢርዎ ዝነበረ እገዳ ክለዓል ወሲኑ። ነዚ ውሳነ እቲ ቢልዮነር ስዒቡ፡ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ነቲ ተግባር ብትሪ ምስ ኮነኑ እዩ፡ እቲ ውሳነ ክግልበጥ ምዃኑ ዘፍለጠ። ኣብ'ቲ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ጸብጻብ ዘቕረቡ ጋዜጠኛታት ዘ ኒውዮርክ ታይምስ፡ ሲኤንኤንን ዘ ዋሽንግተን ፖስትን ካብቲ መርበብ ሓበሬታ ተኣጊዶም። ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ውግዘትን ተቓውሞን ስዒቡ ግን፡ ኤሎን ማስክ ንተጠቀምቲ ትዊተር ነቲ ውሳነ ኣመልኪቶም ድምጾም ክህቡ ሓቲቱ። ካብዚ ብምብጋስ ካብቶም ድምጾም ዝሃቡ 3.6 ሚልዮን ሰባት 59 ሚእታዊት ነቲ ኣብ ትዊተር ዝነበረ እገዳ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ከወግዶ ሓቲቶምዎ። ነዚ ስዒቡ እዩ ኤሎን፡ እቶም ተዓጽዮም ዝነበሩ ኣካውንታት ክኽፈቱ ምዃኖም ዘፍለጠ። ሕቡራት ሃገራት ምስ ሕብረት ኣውሮጳ ብምጽንባር፡ ትዊተር ነቶም ጋዜጠኛታት ንምእጋድ ዝወሰዶ ውሳነ ምኹናኑ ዝዝከር እዩ። ሪፖርተራት ኒውዮርክ ታይምስ፡ ሲኤንኤንን ዋሽንግተን ፖስትን ካብቶም ኣካውንቶም ተዓጽዩም ዝነበሩ እዮም። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትዊተር ነጻነት መራኸቢ ብዙሃን \"መጻወቲ ኣይኮነን\" ክብል እንከሎ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ድማ ንትዊተር ከምዝእግድ ኣፈራሪሑ'ሎ። ወሃቢ ቃል ትዊተር ንሓደ መርበብ ሓበሬታ ኣሜሪካ፡ እቲ እገዳ ምስቲ ብቐጥታ ብሕታዊ ሓበሬታ ምዝርጋሕ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ሓቢሩ። ምክትል ዋና ጸሓፊት ዓለማዊ ርክባት ሕቡራት ሃገራት ሜሊሳ ፍለሚንግ፡ ጋዜጠኛታት ካብ ትዊተር \"ብዘየድሊ መንገዲ\" ይእገዱ ከምዘለዉ ብዝገልጹ ጸብጻባት \"ኣዝያ ከምዝተረበሸት\" ገሊጻ። \"ነጻነት ሚድያ መጻወቲ ኣይኮነን። ናጻ ፕረስ እምነ ኩርናዕ ዲሞክራስያውያን ሕብረተሰባትን ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ጐዳኢ ግጉይ ሓበሬታ ቀንዲ መሳርሒን'ዩ\" ኢላ። ኣቐዲማ ብዓርቢ፡ ኮሚሽነር ሕብረት ኣውሮጳ ቬራ ጆውሮቫ፡ ንትዊተር ብመሰረት ሓድሽ ሕጊ ዲጂታላዊ ኣገልግሎት ኣውሮጳ እገዳ ክግበር ምዃኑ ኣፈራሪሓ፡ እዚ ሕጊ እዚ \"ምኽባር ነጻነት ሚድያን መሰረታዊ መሰላትን\" ከምዘድልዮ ገሊጻ። \"ኤሎን መስክ ነዚ ክፈልጥ ኣለዎ። ቀይሕ መስመራት ኣሎ። እገዳ ድማ፡ ኣብ ቀረባ እዋን\" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ። ኤሎን መስክ ብዛዕባ እቲ ምእጋድ ብቐጥታ ርእይቶ ኣይሃበን፤ እንተዀነ ኣብ ትዊተር \"ምሉእ መዓልቲ ምንቃፈይ ጽቡቕ'ዩ፡ ብሓቂ ብዛዕባ ዘለኹሉ እዋናውን ብሕታዊ ሓበሬታ ምዝርጋሕን ንስድራይ ኣብ ሓደጋ ምእታውን ግን ጽቡቕ ኣይኮነን\" ኢሉ። እቲ ናይ ቴክኖሎጂ ትካል ድሒሩ፡ ነቲ ሕሳባት \"ሕጂ\" ወይ \"ድሕሪ 7 መዓልታት\" ከቋርጾ ኣለዎ ዝብል ዳህሳስ ኣዳልዩ፡ እቲ ውሳነ ድሒሩ ዘይኮነስ ቀልጢፉ ክቕየር ከምዝኽእል ሓቢሩ። \"ን'ጋዜጠኛታት' ከም ኵሉ ሰብ ብሕታዊ ወይ መለለዪ ሓበሬታ ምድላይን ምዝርጋሕን ዝምልከቱ ሕግታት ይምልከቶም’ዩ\" ክብል ወሲኹ። ወሃቢ ቃል ኒውዮርክ ታይምስ ነቲ ምእጋድ \"ዘሕዝን\" ክብል ገሊጽዎ። እዚ ምእጋድ፡ ኤሎን መስክ ንዋና ናይቲ ውልቃዊት ጀቱ ዝከታተል ኣካውንት ክኸስስ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ ዝመጸ እዩ። ሓደ \"ዕቡድ ተኸታታሊ\" ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ደቁ ዝጸዓነት መኪና ንምርካብን ንምቕራብን ብቐጥታ ቦታ ዝሕብር መሳርሒ ከምዝተጠቕመ ገሊጹ። ድሕሪ እቲ ምእጋድ ግን፡ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን፡ \"ነጻነት ፕረስ ብፍቓድካ ክውላዕን ክጠፍእን ኣይክእልን\" ክብል ንትዊተር ኣጠንቂቑ። ጋዜጠኛ ማሻብልን ሓደ ካብቶም ዝተኣገዱን ማት ባይንደር፡ ንምንታይ ከምዝተኣገደ ከምዘይፈልጥ ገሊጹ። \"ኣብ ጸብጻበይ ንመስክ ኣዝየ እየ ዝነቅፎ ነይረ\" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ኤሎን መስክ \"ኵሎም ዝተኣገዱ ሰባት ብሕታዊ ሓበሬታ ይዝርግሑ ነይሮም\" ዝበሎ ግን ሓቂ ከምዘይኮነ ገሊጹ። ንሱ፡ ናብቲ ኣሳሪ ናይታ ጀት ዝመርሕ መላገቢ ኣብ ትዊተር ኣስፊሩ ከምዘይፈልጥን፡ ድሕሪ ምቍራጹ ግን ነቲ ኣካውንት ከምዝጠቐሰን ገሊጹ። \"እቶም ዝተኣገዱ ሰባት ዝተመርጹ ምዃኖም ንጹር'ዩ፡ ምኽንያቱ ቃል ብቓሉ ኣብ ደቒቕ ኣማኢት ኣካውንትታት ነቲ መላገቢ ኣብ ትዊተር ዘስፍሩ ኣለዉ።\" ካብ 2008 ጀሚሩ ትዊተር ክጥቀም ዝጸንሐን ኣብቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዛዕባ እቲ ምዕባለታት ዝጽብጽብ ዝነበረን ማት ባይነደር፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝተገብረ እገዳ ከምዝገረሞ ገሊጹ። ብዓርቢ፡ ኣካየድቲ ስራሕ ኤንቢሲ ኒውስ፡ ነቲ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ሪፖርተሮም ቤን ኮሊንስ ካብ ፈነወታት ክስሕብዎ ዝወሰኑሉ ምኽንያት፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ንኤሎን መስክ ዝነቅፍ ጽሑፍ ኣብ ትዊተር ብምዝርግሑ ምዃኑ ተገሊጹ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cx8xzdry5xlo"} {"headline":"ሽሪን ኣቡኣክላ፡ እታ ብእስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም እተቐትለት ጋዜጠኛ ኣልጀዚራ መን እያ?","content":"ፍልስጤማዊት-ኣመሪካዊት ጋዜጠኛ ሽሪን ኣቡዓቕለ፡ እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ብዛዕባ ዝገበረቶ መጥቃዕቲ ትጽብጽበሉ ኣብ ዝነበረት እዋን እያ ተቐቲላ። ሚኒስትሪ ጥዕና ፍልስጤም፡ ኣቡኣክላ ረቡዕ ንግሆ ኣብ ከተማ ጀኒን ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ንዝወረደ መጥቃዕቲ ሸፈነ ኣብ እትህበሉ ዝነበረት እዋን፡ ኣብ ርእሳ ብዘጋጠማ ከቢድ ማህረምቲ ከምዝተቐትለት ገሊጹ። ኣልጀዚራ፡ ሽሪን ብሓይልታት እስራኤል፡ \"ብፍላጥ\" ከምኡ'ውን \"ብጭካነ\" ከም እተቐትለት ይሕብር። ብተወሳኺ፡ ጋዜጠኛ ምዃና ዝገልጽ መከላኸሊ ጥይት ተኸዲና'ኳ እንተነበረት፡ 'ጥይት ስናይፐር ግን ኣብ ርእሳ ከም ዝወቕዓ' መሰኻኽር ዓይኒ ጠቒሱ ገሊጹ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ግን፡ ኣብ ግዜ ምልውዋጥ ተዅሲ፡ ብረት ብዝዓጠቝ ፍልስጤማውያን ተቐቲላ 'ክትከውን ከም እትኽእል' ይገልጽ። ሽሪን ኣቡዓቕለ ኣብ ጥሪ 1971 ኣብ እየሩሳሌም ተወሊዳ፣ ኣብ ከባቢ ቤት-ሓኒና እየሩሳሌም፡ ኣብ ዝርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ሮዛሪ ሲስተርስ ተመሪቓ። ፈለማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ስነህንጻ ተማሂራ፤ ብድሕሪኡ ኣብ ጆርዳን ካብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ያርሙክ፡ ብመራኸቢ ብዙሃንን ጋዜጠኝነትን ብፍላይ ድማ ብፍሉይ ክእለት ጽሑፍ መራኸቢ ብዙሃን ብዲግሪ ተመሪቓ። ሽሪን ምስ ተመረቐት፡ ኣብ ውሽጢ ፍልስጤም ኣብ ዝርከቡ፡ መርበብ ራድዮ ፍልስጤም፡ ኣማን ቲቪን ዝኣመሰሉ ትካላት ሚድያ ሰሪሓ። ኣልጀዚራ ስራሕ ምስ ጀመረት ድማ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ብ1997 ኣብ ኣልጀዚራ ተቘጺራ ካብቶም ቀዳሞት ጋዜጠኛታት ኰይና። ሽሪን፡ ኣብ ፍልስጤምን እስራኤልን ዝተኻየዱ ተጻብኦታት ሸፈነ ብምሃብ፡ ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ዝዓበየ ቦታ ረኺባ እያ። ንኣብነት ብ2000 ኣብ ፍልስጤም እተገብረ ናዕቢ 'ኢንቲፋዳ'፣ ከምኡ'ውን እቲ እስራኤላውያን ብ2002 ኣብ ከተማ ቶል-ካራም ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ጀኒንን ዘውረድዎ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ጸብጺባ እያ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ነቲ እስራኤላውያን ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝፈጸምዎ ንጥፈታትን መጥቃዕቲ ነፈርትን እውን ጸብጻብ ኣቕሪባ እያ። ሽሪን፡ ብ2005 ናብቲ ኣብ ጥቓ ቓዛ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ኣሽኬሎን ክትኣቱ ዝተፈቐደላ ፈላመይቲ ዓረባዊት ጋዜጠኛ እያ ነይራ። ኣብኡ ከኣ ምስቶም ብቤት ፍርዲ እስራኤል ንነዊሕ እዋን ዝተኣስሩ ፍልስጤማውያን ተራኺባ። ሽሪን፡ ነቲ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል ዝነበረ ኵነታት ፍልስጤማውያን ብዓይና ስለ ዝረኣየቶ ካብ ኣእምሮኣ ከም ዘይጠፍእ ተዛሪባ ነይራ። ንሳ ምስ ኣልጀዚራ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመጠይቕ፡ ሓይልታት እስራኤል ካብ ወተሃደራዊ ዞባታት ሓበሬታ ብምቕራብ ኣዘውቲሮም ከም ዝኸስዋ ገሊጻ ነይራ። ወተሃደራት እስራኤልን ዕጡቓት ሰፋሮን [ፍልስጤማውያን] ኣብ ዝገብርዎ ቃልሲ፡ ወትሩ ዒላማ ከም ዝዀነት'ውን ተዛሪባ። ኣልጀዚራ፡ መበል 25 ዓመታ ንምኽባር ኣብ ዝተዳለወ ቪድዮ፡ \"ምስ ሰባት ምእንቲ ክራኸብ ጋዜጠኝነት መሪጸ። ክውንነት ንምቕያር ቀሊል ዘይክኸውን ይኽእል እዩ፤ እንተ ወሓደ ግን ድምጾም ዓለም ከምዝሰምዖ ምግባር ክኢለ እየ፤ ... ኣነ ሽሪን ኣቡኣክላ እየ፡\" ኢላ ነይራ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61390546"} {"headline":"ሲፒጄ፡ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ኣብ ማእሰርቲ ንዘለዉ ጋዜጠኛታት ክፍትሑ ፃውዒት ኣቕሪቡ","content":"ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ነቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታትን ኣካላት ሚድያን ክፈትሕዎም 'ሲፒጄ' ዝተብሃለ ዓለምለኻዊ ተጣባቒ መሰል ጋዜጠኛታት ሓቲቱ። ኣብ ክልል ኣምሓራን ኣዲስ ኣበባን ካብ 11 ግንቦት 2014 [ኣቆፃፅራ ግእዝ] ጀሚሩ ብውሑድ 11 ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት ትካላት ሚድያን ከምኡ ድማ ልዕሊ 4500 ውልቀሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ይግለፅ። እዞም ኣካላት ነቲ \"ወፍሪ ምኽባር ሕጊ\" ብዝብል ንዝተጀመረ ስጉምቲ ስዒቡ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ እቲ ትካል ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ጠቒሱ። ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ናይቲ 'ኣሻራ' ብዝብል ዝፍለጥ ብዩቱዩብ ዝፍኖ ሚድያ፤ 4 ካብ ቻነል ንስር ኢንተርናሽናል ብሮድካስቲን፣ መስራቲትን ዋና ኣሰናዳኢትን ናይቲ 'ኢትዮ ንቃት' ዝተብሃለ ሚድያ መስከረም ኣበራ ከምኡ ድማ መስራትን ወናንን ገበያኑ ሚድያ ጋዜጠኛ ሰሎሞን ሹምዩ ካብ ሞንጎ እቶም ዝተኣሰሩ ይርከብዎም። \"ማእሰርቲ እቶም ጋዜጠኛታት ንኢትዮጵያ ሓደ ስጉሚ ንቕድሚት ሰለስተ ስጉሚ ናብ ድሕሪት ዝመልስ'ዩ\" ይብል ሲፒጄ። ኣብቲ ትካል ኣተሓባባሪት ፕሮግራም ኣፍሪቃ ኣንጀላ ኪውንታል \"መንግስቲ እታ ሃገር ንናፅነት ፕረስን: ዜጋታት ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ከምዘለዎን ዘይግደስ ምዃኑ ዘመልክት'ዩ\" ክትብል ነቲ ማእሰርቲ ነቒፋ። ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ ነቶም ጋዜጠኛታት ክፍትሕዎም ድማ ኣተሓሳሲባ። \"ሰበስልጣን ነቶም ጋዜጠኛታት ብዘይክሲ ቀልጢፎም ክፈትሕዎም ኣለዎም\" ዝበለት ኣንጀላ፡ መንግስቲ ዘይምኽንያታዊ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት ደው ከብሎን ወጽዓ ዘይብሉ ብዘይምምያ ክሰርሑ ክገብርን ፃውዒት ኣቕሪባ። ማሕበር ሰብሞያ መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያ ትማሊ [16 ግንቦት 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ] ናብ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ኣካላት ሚድያ ካብ መንበሪ ገዝኦምን ናይ ስራሕ ቦትኦምን ብሓይልታት ፀጥታ እናተዓፈኑ ይውሰዱ ምህላዎም ከምዘሻቐሎ ኣፍሊጡ'ሎ። እቲ ቀዳማይ ሚንስትር \"ነዚ ከቢድ ጥሕሰት ሕጊ ሰሚዑ ከምዘይሰምዐ ምሕላፉ ከምዘሕዘኖ፣ ጋዜጠኛታት ብመስርሕ ሕጊ ጥራሕ ክሕተቱ ከምዘለዎምን ንጋዜጠኛታት ዝዓፈኑ ኣካላት ናብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ክሕተቱን\" ኣብ ደብዳበ እቲ ማሕበር ሰፊሩ ይርከብ። ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ጋዜጠኛታት ብዘይሕጋዊ መስርሕ ተዓፊኖም ከምዝተወሰዱ፤ ኣብ ዘይፍለጥ ቦታ ከምዝዓገቱ፤ ተዓፊኖም ካብ ዝጸንሑሉ ስውር ቦታ ዝተለቐቑን ክሳብ ሎሚ ዘይተለቐቑን ብዙሓት ጋዜጠኛታት ከምዘለዉ ሓቢሩ። መንግስቲ ኣመሪካ'ውን ብኹነታት እቲ ሎሚ ቕነ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝፍፀም ዘሎ ዝግለፅ ጃምላዊ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ተጣበቕቲ መሰላትን ከምዝተሻቐለ ትማሊ ምግላፁ ይዝከር። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ እታ ሃገር ብፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ሓፂር ሓበሬታ \"በቶም ዝወጽኡ ዘለዉ ፀብፃባት ጃምላዊ ማእሰርቲ ኣሜሪካ ተሻቒላ\" ኢሉ። \"ፌደራል መንግስቲን ሓይልታት ፀጥታ ክልላትን ግቡእ መስርሕ ክኽተሉን ልዕልና ሕጊ ክኽበርን ብዝብል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ንዘቕረቦ ፃውዒት ንድግፍ\" ይብል ሓፂር መግለፂ ኤምባሲ አመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን: ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብዙሓት ጋዜጠኛታትን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያን ብዘይትእዛዝ ቤት ፍርዲ ከምዝተኣሰሩ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር። እቶም ተታሒዞም ዝበሎም ጋዜጠኛታትን ነጠፍቲን ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡን ምስ ቤተሰቦም ክራኸቡ ዘይተፈቐደሎም ከምዘለዉን ኣብቲ ብቕድሚ ትማሊ [14 ጉንበት 2014 ዓ.ም] ዘውፅኦ መግለፂ ኣመልኪቱ። በቲ ሓይልታት ፌደራልን ናይ ክልል ፀጥታን \"ዝተዋደደ ወፍሪ ምኽባር ልዕልና ሕጊ\" ዝበልዎ ስጉምቲ፡ ጋዜጠኛታትን ነጠፍቲን ዝርከብዎም ብዙሓት ሰባት ከምዝተኣሰሩ ድማ ሓቢሩ። ኣሻራ ሚድያ ዝተብሃለ ናይ ዩ ቱዩብ ቻል፡ መንግስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ፋኖ ዝወሰዶ ስጉምቲ፣ ናይቶም ንመንግስቲ ዝነቕፉ ኣካላትን ንጉዳይ መንበሪ ኣባይቲ ብዝምልከት ዝተኻየደ ህዝባዊ ሰልፊ ዝጥምቱን ጸብጻባት ሰሪሑ ምንባሩ መግለፂ ሲፒኤ የዘኻኽር። ብ11 ግንቦት 2014 [ኣቆፃፅራ ግእዝ] ሰለስተ ጋዜጠኛታትን ክልተ ሰብሞያ ካሜራን ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣብ ቀይዲ እንተኣተዉ'ኳ፡ ደሓር ግን ካብታ ከተማ ኣስታት 185 ኪሎሜትር ርሕቐት ናብ እትርከብ ንፋስ ማውጫ ዝተብሃለት ከተማ ስለዝተወሰዱ ምስ ስድርኦም ኮነ ጠበቓታቶም ክራኸቡ ኣይከኣሉን ኢሉ። ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት ንስር ሚድያ ድማ ብ12 ግንቦት 2014 ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም ብተመሳሳሊ ናብ ንፋስ ማውጫ ከምዝተወሰዱ ኣመልኪቱ። ንስር ነቲ ኣብ ልዕሊ ፋኖ ዝውሰድ ዘሎ ዝበሎ ስጉምቲ ከምኡ ድማ ምስራዝ ፍቓድ ጋዜጠኛ ዘ-ኢኮኖሚስት ቶም ጋርድነር ዝምልከቱ ፀብጻባት ሰሪሑ ምንባሩ ሲፒጄ ኣዘኻኺሩ። ነቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተላብዐ ኲናት ብምቅዋም ናብ ሰላምን ድርድር ዘእትዉ ዝበሎም ኣማራፅታት እናሓበረ ብምንቃፍ ዝፍለጥ ጋዜጠኛ ሰሎሞን ሹምዬ ብኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣሰረ ኮይኑ ክሳብ ሎሚ ናብ ቤት ፍርዲ ኣይቀረበን። ሰሎሞን፡ \"ህዝቢ ናብ ዓመፅ ክለዓዓል ብምፅዋዕን፡ ኣብ ሞንጎ መንግስታት ፌደራልን ክልል ኣምሓራን ዘይምስናይ ክፍጠርን ሰሪሑ\" ዝብል ክሲ ቀሪቡሉ'ሎ። ካብ ባህርዳር ተበጊሳ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተወትሉ መዓልቲ ኣብ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝተትሓዘት መስከረም ኣበራ'ውን ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ከምእትርከብን ምስ ናይ ሰሎሞን ዝመሳሰል ክሲ ከምዝቐረበላን ሲፒጄ ገሊፁ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ መምህር ዝነበረት መስከረም ህዝባዊ ዓመፅ ክነዓዓብ ኣለዓዒላ ብዝብል ገበን ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበት ኮይና፡ ን29 ግንቦት 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ቆፀራ ከምዝተወሃበ ተፈሊጡ። መስከረም ኣብቲ 'ኢትዮ ንቃት' ዝተብሃለ ሚድያኣ ሓደ ጀነራል ኢትዮጵያ ኣብ ጎኒ ዕጡቓት ፋኖን ህዝብን ክስለፍ ፃውዒት ካብ ምቕራብ ብተወሳኺ ንፋኖ ዝድግፍ መደብ ከምዝሰርሐት መግለፂ ሲፒጄ የዘኻኽር። ኣገልግሎት ኮሚዩኒኬሽን መንግስቲ ነቲ ኣብ ክልል ኣምሓራን ካልኦት ክፋላት እታ ሃገርን ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ብዝምልከት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ \"ምኽባር ልዕልና ሕጊ ሰላምን ድሕነትን ዜጋታት ንምውሓስ ኮነ ቀጻልነት ሃገር ንምርግጋጽ እንኮ መፍትሒ እዩ\" ኢሉ ነይሩ። መንግስቲ ነቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝረኧ ጥሕሰታት ሕጊ ስእነት ሰላምን ንኽቆፃፀር ካብ ህዝቢ ብተደጋጋሚ ሕቶ ክቐርብ ምፅንሑ ዘመልከተ መግለፂ እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ኣድላዪ ስጉምቲ ንኽውሰድ ድማ ብብሄራዊ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውሳነ ከምዝተመሓላለፈ ጠቒሱ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61583873"} {"headline":"ኢሎን መስክ ንትዊተር ብ44 ቢልዮን ዶላር ገዚእዎ","content":"ኢሎን መስክ፡ ኣብ ዓለምና እቲ ዝሃብተመ ሰብ፡ ንትዊተር ብ44 ቢልዮን ዶላር ከምዝዓደጐ ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ኣቃሊሐን። ንሱ’ውን፡  “እታ ዑፍ ነጻ ኰይና [the bird is freed]” ዝብል ጽሑፍ ኣብ ትዊተር ብምልጣፍ እቲ ስምምዕ ከምዝተፈጸመ ኣንፈት ሂቡ። ላዕለዋይ ሓላፊ ትዊተር ፓራግ ኣግራዋል ዝርከቦም ብዙሓት ሓለፍቲ ትዊተር ካብ ስራሕ ከምዝተሰጐጕ’ውን ይሕበር ኣሎ። ኢሎን መስክ ኣብ መጀመርታ ንትዊተር ከምዝገዝኦ ድሕሪ ምሕባር፡ ጸኒሑ ግን ካብቲ ስምምዕ ከምዘንሳሓበ ድሕሪ ምግላጹ፡ ምስ ትዊተር ኣብ ከቢድ ምጕት ቤት ፍርዲ እዩ ተሸሚሙ ጸኒሑ። ኢሎን መስክ ንትዊተር ከምዝገዝኦ ብወገን ትዊተር’ኳ እንተዘይተሓበረ፡ ኣብቲ ትካል ወፍሪ ዝገበረ ሓደ ውልቀ ሰብ ግን ትዊተር ናብ ኢሎን መስክ ምሉእ ንምሉእ ከምዝተሸጠ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ። ላዕለዋይ ሓላፊ ትዊተር ኣግራዋል፡ ላዕለዋይ ሓላፊ ፋይናንስ ትዊተር ነድ ሳጋልን ሓላፊ ሕግን ፖሊስን ትዊተር ቪጃያ ጋደ፡ ኵሎም ካብቲ ትካል ከምዝተሰጐጕ’የን ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ዝሕብራ ዘለዋ። መስራቲ ትዊተር ቢዝ ስቶን ብዛዕባ ምስጓጐም ዝዀነ ሓበሬታ ከይሃበ፡ ንሰለስቲኦም ኣምስጊንዎም። ኢሎን መስክ ነዚ ግዙፍ ማሕበራዊ ሚድያ ክገዝኦ ዝደረኾ ቀንዲ ምኽንያት፡ ትዊተር ንሰብኣውነትን ምዕባለን ቀዳምነታት ብምሃብ ሓደ ምእኩልን ንዅሉ ብማዕረ ዘገልግልን ማእከል ንምግባሩ ገሊጹ። ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ኢሎን መስክ ናብቲ ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ትዊተር እናኣተወ ዘርኢ ምስሊ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ንብዙሓት ከዘራርብ ክኢሉ’ዩ። ብዙሓት ክኢላታት ስነቝጠባ፡ ኢሎን መስክ ንትዊተር ንምግዛእ ዘውጽኦ ዘሎ ሰልዲ ኣዝዩ ዝተጋነነ ከምዝዀነ’ዮም ዝገልጹ። ኢሎን መስክ ኣብ ጥሪ’ዩ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ትዊተር ብርኪ ክገዝእ ዝጀመረ፡ ኣብ መጋቢት ከኣ ብርኩ ናብ 5 ሚእታዊት ክብ ኣቢልዎ። ኣብ ሚያዝያ ከይዶንጐየ፡ ኣብ ትዊተር እቲ ዝበዝሐ ብርኪ ዘለዎ ሰብ ክኸውን ከኣለ፤ ኣብ መወዳእታ ሚያዝያ ኸኣ ንትዊተር ብ44 ቢልዮን ዶላር ምሉእ ብምሉእ ክዕድጐ ምዃኑ ዝሕበር ሓበሬታ ሂቡ። እንተዀነ ኣብ መፋርቕ ግንቦት፡ ምኽንያታት ብምምጻእ ንትዊተር ናይ ምግዛእ ሓሳቡ ከምዝሓደጐ ገሊጹ። ኣብ ሓምለ ኸኣ ጠቕሊሉ ንትዊተር ከምዘይገዝኦ ምስ ገለጸ፡ ትካል ትዊተር እቲ ቢልዮነር ዝኣተዎ ውዕል ኣሎ ብምባል ናብ ሕጋዊ መስርሕ ኣምሪሖም። ኣብ መጀመርታ ጥቅምቲ ኢሎን መስክ ንትዊተር ክገዝኦ ምዃኑ ብምእንፋት፡ ኵሉ መስርሓት ቤት ፍርዲ ደው ከምዝበለ ገሊጹ። ብዙሓት፡ ኣብቲ ምጕት ቤት ፍርዲ ተሳዒሩ ክኸውን ከምዝኽል’ዮም ዝገልጹ። ዋላ’ኳ ትዊተር ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እቲ መሸጣ ዝበሎ እንተዘይሃለወ፡ ኢሎን መስክ ንነብሱ ላዕለዋይ ሓላፊ ትዊተር ክገብራ ዘሎ ተኽእሎ ግን ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ። እንተዀነ ኢሎን መስክ ዝለዓለ ወዳኢ እቲ ትካል ከምዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኰነን። ኢሎም መስክን ላዕለዋይ ሓላፊ ትዊተር ኣግራዋልን ካብ ሚያዝያ ጀሚሮም’ዮም ክቀሓሓሩ ጀሚሮም፣ ኣብ ቤት ፍርዲ ከም መርትዖ ዝቐረበ ሰነድ፡ ኢሎን መስክ ንኣግራዋል ኣብ ዝሰደደሉ ውልቃዊ ጽሑፍ፡ ኣግራዋል ነቲ ትካል [ትዊተር] ብግቡእ ከመሓድሮ ዓቕሚ ከምዘይብሉ ዝገለጽ’ዩ። ኢሎን መስክ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ንኣግራዋልን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ትካል ካብ ስራሕ ምስጓጕ ኸኣ ኣብ ትዊተር ለውጢ ከተኣታቱ ከምዝደለየ ዝእንፍት’ዩ። ብዙሓት ደገፍቲ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ንምስጓግ ኣግራዋል ብሓጐስ ከምዝቕበልዎ ዘማትእ ኣይኮነን። ሕጂ ኢሎን መስክ ንትዊተር ስለዝወነነ፡ እቶም ብትዊተር ተኣጊዶም ዝጸንሑ ነቲ ማሕበራዊ ሚድያ ብናጽነት ክጥቀምሉ ከምዝኽእሉ ይሕበር ኣሎ፤ ሓደ ካብኦም ከኣ ዶናልድ ትራምፕ’ዩ። ኢሎን መስክ ኣቐድም ኣቢሎ፡ ዶናልድ ትራምፕ ካብ ትዊተር ምእጋዱ “ውሳነ ዓያሹ” ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንትዊተር ምስ ወነነ ነቲ ሕጊ ክቕይሮ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ’ዩ። እንተዀነ ዶናልድ ትራምፕ ናብ ትዊተር ናይ ምምላስ ድሌት ከምዘይብሉ ብምግላጽ፡ ሓሳቡ ኣብቲ ንሱ ዝውንኖ ‘ትሩዝ ሶሻል’ ዝተበሃለ ማሕበራዊ ሚድያ ክዝርግሕ ምዃኑ’ዩ ገሊጹ። ገለ ኸኣ ኢሎን መስክ ንትዊተር ፍኑው ከይገብሮ’ሞ ካብ መኽሰቡ ክሳራኡ ከይበዝሕ ስግኣቶም ዝገልጹ ኣይተሳኣኑን። ኢሎን መስክ ኣብ ትዊተር ብዙሓት ሰራሕተኛታት ናይ ምጕዳል መደብ ከምዘለዎ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ። እንተዀነ ብሉምበርግ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኢሎን መስክ ካብ ሰራሕተኛታት ትዊተር ነቶም 75 ሚእታዊት ናይ ምስጓግ መደብ ኣለዎ ንዝብል ሓበሬታ ሓሶት’ዩ ከምዝበሎ ገሊጹ ኣሎ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/clk23x08y07o"} {"headline":"ኣመሪካ ንህዝቢ ኤርትራ ሰብኣዊ ረዲኤት ከይትህብ ከምዝተኸልከለት ገሊጻ","content":"ኣመሪካ ሰብኣዊ ረዲኤት ንኤርትራ ከይትህብ ብመንግስቲ ኤርትራ ከምዝተኸልከልት ላዕለዋይ ሓላፊ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ገሊጹ። ስቲቨን ዎከር፡ ኣብቲ ኣብ ወጻኢ ዝመደበሩ ኤርትራዊ ሳተላይት ተለቪዥን ኤሪሳት ዝተዳለወን ንተራ ናጻ ፕረስ ዝድህስስን ዋዕላ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ 2005 መንግስቲ ኤርትራ ንትካል ዓለምለኻዊ ልምዓት ኣመሪካ (USAID) ኣብ ኤርትራ ከይሰርሕ ድሕሪ ምእጋዱ፡ “ቀጥታዊ” ልምዓታውን ሰብኣውን ደገፍ ንህዝቢ ኤርትራ ክህቡ ከምዘይክኣሉ ተዛሪቡ። “ዘይቀጥታዊ ደገፍ” ብመንገዲ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ከምዝህቡ ግን እቲ ዲፕሎማሰኛ ጠቒሱ። ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ብመንገዲ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ደገፍ ከምዝህቡ’ውን ተዛሪቡ። “ርእሰ-ምርኮሳ” ዝብል መትከል ከምዝኽተሉ ዝምጉቱ መራሕቲ ኤርትራ ካብ 2001 ክሳብ 2006 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ሓያሎ ዘይመንግስታውያን ናይ ረዲኤት ትካላት ምስጓጎም ይዝከር። ሓደ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ኣመሪካ፡ ምስ ኣብ ደገ ዝርከቡ ኤርትራውያን ትካላት ሜድያ ካብ ኣስመራ ቃለመሕትት ከካይድ እዚ ናይ ፈለማ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ። ኣብ ዋዕላ ኤሪሳት ምስታፉ ብዙሕ ነቐፌታ ከምዘስዓበሉ ዝገለጸ ስተቨን ዎከር፡ እቲ ዝወሰዶ ዘይልሙድ ስጉምቲ “ኣመሪካ ንኤርትራዊ ተቓውሞ ከምእትድግፎ ተገይሩ ክርአ የብሉን” ኢሉ። ኤሪሳት ናጻ ማዕከን ዜና ምዃኑን፡ መንግስቲ ዘይቅበሎ ርእይቶ ክህልዎ ጸገም ከምዘይብሉን ድማ ኣነጺሩ። ንሱ፡ ፖሊሲ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ንምብራህ ቅድሚ ሕጂ ምስ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ቃለመሕትት ክገብር ሕቶታት’ኳ እንተቕረበ ከምዝተነጽገ ብምጥቃስ፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ንመንግስታዊ ትካላት ሜድያ ሓሳቡ ክህብ ፍቓደኛ ምዃኑ ኣብሪሁ። ካብ 2001 ጀሚሩ፡ መንግስቲ ኤርትራ ናጻ ፕረስ ኣጊዱ ምህላዉን፡ ብዙሓት ጋዜጠኛታት፡ እንኮላይ ኣዳላውትን ጋዜጠኛታትን ናይተን ኣብ መስከረም 2001 ዝተዓጽዋ ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታት ኣብ ስዉር ኣብያተማእሰርቲ ቀይዱ ከምዘሎ ይፍለጥ። “ናጻ ፕረስ እምነ-ኩርናዕ ናይ ጥዕና ዘለዋ፡ ደሞክራስያዊትን ናጻን ሃገር’ዩ” ዝበለ ስቲቨን ዎከር፡ መሰረት ሰባዊ መሰላትን ቁጠባዊ ምዕባለን’ዩ ክብል መጒቱ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ መዳይ ጥዕና፡ ብፍላይ ኣንጻር ዝተፈላለዩ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዘካየዶ ናይ ክታበት ወፍሪታት ዕውት ምንባሩ ብምእማን፡ ልምዓታዊ ምዕባለ ኤርትራ በቲ ዘሎ ዘይደሞክራስያዊ ምሕደራ ተደሪቱ ኣሎ ኢሉ። እቲ ገደብ-ኣልቦ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ገደብ ክግበረሉን ናብ ንቡር (18 ኣዋርሕ) ክምለስን ጸዊዑ’ሎ። እቲ ብማንዛ ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፈ ላዕለዋይ ኣመሪካዊ ዲፕሎማሰኛ፡ ሃገሩ ኣብ ኤርትራ “ናይ ስርዓት ለውጢ ንምምጻእ ዝዓለመ ፖሊሲ የብላን” ኢሉ። ንደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ዝድግፉ እንተኾይኖም ኣብ ዝቐረበሉ ሕቶ ድማ “መጻኢ ኤርትራ ብህዝቢ ኤርትራ’ዩ ዝውሰን” ክብል ሓጺር መልሲ ሂብሉ። መራሕቲ ኤርትራ፡ ኣመሪካ ብመንገዲ ናይ ስለያ ትካላታ ይኹን ናይ ወጻኢ ፖሊሲታታ ነቲ ንልዕሊ 31 ዓመታት ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ዝምራሕ ስርዓት ንምዕላው ፈተነታት ከተካይድ ምጽንሓን፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘይምርግጋእ ክትፈጥር ከምዝጸንሐት’ዮም ዝኸሱ። ብዛዕባ ሃለዋት ኣብ ጥቅምቲ 2001 ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ክልተ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ፡ እቲ ጉዳይ “ብሰላሕታዊ ዲፕሎማሲ” ምስ ሰብመዚ ኤርትራ ክዘራረብሉ ምጽንሖም ብምጥቃስ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ክህብ ከምዘይደሊ ኣነጺሩ። እንተኾነ ግን ንሶም ኮነ፡ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ርእይትኦምን ሃይማኖታዊ እምነቶምን ዝተኣስሩ ኩሎም ናይ ሕልና እሱራት ክፍትሑ ጸዊዑ። ብዛዕባ ምትእትታው ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ ብዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ሃገሩ ፍሉይ ልኡኽ ብምምዛዝ ነቲ ግጭት ብሰላማዊ ኣገባብ ፍታሕ ክረኽብሉ ይጽዕሩ ከምዘለዉ ተዛሪቡ። ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ወገናት እንኮላይ ሓይልታት ኤርትራ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ’ውን ጠቒሱ። ኣመሪካ፡ ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተኣሰር ኣብ ልዕሊ ትካላትን ላዕለዎት ሓለፍትን ጸጥታን ቁጠባዊ ትካላት ህግደፍን እገዳታት ኣንቢራ ይትርከብ። እቲ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ፡ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኲናት ዩክረይን፡ ምስታ ካብኣ ንዝደኸመት ጎረቤት ሃገር ዝወረረትሉ ሩስያ ምውጋና ብምንቃፍ “ዘደንጹ’ዩ” ክብል ገሊጽዎ። ትካል ኤሪ-ሳት፡ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ብመንገዲ ሳተላይት ናብ ኤርትራ ናይ ተለለቪዢን ራድዮን ፈነወ ዘካይድ ኮይኑ፡ ንሓያሎ ናይ ዩቱብ ቻናላት ከም መድረኽ ኮይኑ ዘገልግል’ዩ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cx9y52n5y09o"} {"headline":"ታምራት ነገራ፡ ብዛዕባ ማእሰርቱን ስደቱን እንታይ ይብል?","content":"ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ካብ ዝተራእያ ናይ ሕትመት ሚድያታት፡ ብዙሕ ተነባብነትን ዝናን ካብ ዝነበረን ሓንቲ ጋዜጣ ‘ኣዲስ ነገር’ ኮይና፡ ሓደ  ካብቶም ነታ ጋዜጣ ዘዳለዉ ዝነበሩ ታምራት ነገራ ዳግማይ ናብ ስደት ከይዱ ኣሎ። ታምራት ነገራን ኣብ ‘ኣዲስ ነገር’ መሳርሕቱ ዝነበሩን፡ ነፍስሄር መለስ ዜናዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝነበረሉ፡ በቲ ስራዓት ብዝፍጠረሎም ዝነበረ ጸቕጢ ንዓመታት ኣብ ስደት ከምዝጸንሑ ይዝከር። እንተኾነ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ብዘተኣታተዎ ለውጥታት ተተባቢዖም ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተመለሱ ጋዜጠኛታት ሓደ ታምራት ነገራ’ዩ። ታምራት ነገራ፡ ካብ ኣሜሪካ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ተመልሰ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ሚድያታት ወቕታዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ብምትንታንን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ተረርቲ ነቐፌታት ብምስማዕን ዝና ክረክብ ክኢሉ’ዩ። ጸኒሑ’ውን ‘ተራራ ኔትዎርክ’ ኢሉ ዝሰመዮ ናቱ ናይ ዩትዩብ ቻነል ብምክፋት፡ ዜናን ትንታነታትን ከቕርብ ጀሚሩ። እንተኾነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ታሕሳስ ብኣባላት ጸጥታ ካብ ቤቱ ተወሲዱ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምእሳሩ ብዋሕስ ወጺኡ። ታምራት፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈተሐ ናብ ስርሑ ከይተመለሰ ድምጹ ኣጥፊኡ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ብዓልቲ ቤቱ ናብ ስደት ተመሊሱ ኣሎ። ታምራት ነገራ ካብቲ ሕጂ ኣበይ ምህላዉ ክግለጸሉ ዘይደለዮ ቦታ ኮይኑ ብዛዕባ ማእሰርቱ፡ ንምንታይ ድሃዩ ከይተሰመዐ ከምዝጸነሐ፡ ብዛዕባ ናይ መጻኢ መደባቱን ካልእ ጉዳያትን ምስ ቢቢሲ ቃለ መሕተት ኣካይዱ ኣሎ። ቢቢሲ፡ ብዛዕባ ዳግማይ ስደትካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰሚዕና፡ ንምንታይ ኢኻ ስደት መሪጽካ? ታምራት ነገራ፡ እወ ብዛዕባ ናብ ስደት ምምረሐይ ዝተሰመዐ ዜና ሓቂ’ዩ። ንሰደት ዝመረጽክሉ ምኽንያት ብሩህ’ዩ። ዝተኣሰርክሉ ኩነታት፡ ድሕሪ ምእሳረይን ብዋሕስ ምውጸአይን ናብ ስራሕ ክምለሰሉ ዝኽእል ነገራትን ኣይተማልኡን። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ሓደጋታት እናብኣሱ ከይዶም። ፖሊስ ኦሮምያ ክወስዱኒ እንከለዉ ዝወሰድዎ ልዕሊ 32 ኣቑሑት ናይ ስቱድዩ ኣይመለሱለይን። እዚ ናተይ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ሰራሕተኛታት ‘ተራራ ኔትዎርክ’ እውን ነይርዎ’ዩ። ብዓልቲ ቤተይ ሰላም በላይ ናብ ኣኽባሪ ሕጊ፡ ቤት ፍርድን ኮምሽን ፖሊስን ብምኻድ “ኣብ ልዕሊ ታምራት ክሲ ትምስረቱ ዲኹም? መርመራ ወዲእና ኢና ኢልኩም ኢኹም፡ ንብረትና ኣይትመልሱልናን ዲኹም?” ብምባል ብወረቐት ሕቶ ኣቕሪባ ነይራ። እቲ ዝረኸበቶ መልሲ ግን “ኣይኣኽለኩምን ድዩ? ናብ ስራሕ ከኣ ክትምለሱ ትሓስቡ ኣለኹም?” ዝብል መፈራርሒ ካባይ ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ ስድራይን ሰራሕተኛታትን ስለዝመጽአ ንክስደድ ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ። እቲ ምፍርራሕ እናወሰኸ መጺኡ፡ ኣብ እንዳ ሓዘን፡ ኣብ መርዓን ኣብ ካልእ ህዝባዊ ቦታታትን ኣብ ዝኸደሉ “ክንርእየካ የብልናን” ዝብሉ ኣባላት ጸጥታን ፖሊስን ክርአዩ ስለዝጀመሩ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምንባር ኣስጋኢ እናኾነ መጺኡ። ኣብ ልዕለይ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ጋዜጠኛታት ዝፍጸም ዘሎ ማእሰርትን ምክልባትን ኣብ ሚድያ ዝግበር ዘሎ ምዕፋንን  እናወሰኸ ስለዝመጽአ ኣብ ቀጻሊ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይንካ ናይ ሚድያ ስራሕ ክስራሕ ይክኣል ድዩ? ኣብ ዝብል ንእምነተይ ምሉእ ንምሉእ ስለዝዓጸዎ፡ ናይ ሚድያ ስራሕ ምስራሕን ካብኡ ሓሊፉ ብሰላም ንምንባርን ካብ ሃገር ምውጻእ ግድን ኮይኑ ስለዝረኸብክዎ፡ ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ወጺእና ኣለና። ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ተኣሲረ እንከለኹን ምስ ተፈታሕኩን ካብ ቤት ፍርዲ፡ ካብ ኣኽባሪ ሕጊ፡ ካብ ፖሊስን ብዓቢኡ ንተራራ ኔተዎርክ ንምምሕዳር ንዝተሓለፈ ህይወት ብዘይ ሓገዝ ብዓልቲ ቤተይ ሰላም በላይ ኣይምሓለፍክዎን ነይረ። ተራ ብዓልቲ ቤተይ ካብቲ ካልኦት ዝፈልጥዎ ንላዕሊ’ዩ ነይሩ። ተራራ ኔትዎርክ ንኽምስረትን ኣነ ደው ኢለ ንክኸይድን ኩሉ እያ ገይራ። ሓደ ካብቲ ንክስደድ ምኽንያት ዝኾነነኒ’ውን ንብዓልቲ ቤተይ ተመሊሰ ናብ ከምኡ ሃልኪ ክእትዋ ስለዘይደለኹ’የ። ምስ ብዙሕ ናይ ቤተሰብን ናይ ውልቕን ተጽዕኖታት፡ ብፖሊስ፡ ብፌደራል ከምኡ’ውን ብዓቓቢ ሕጊ ክልል፡ ብቤት ፍርዲ እንታይ ዓይነት ምክልባታት ከምዝበጽሓኒ ክዛረብ ኣይክእልን’የ። ስለዚ ንኽስደድ ዝደረኸኒ ኣብ ዝባና ዝነበረ ጾር እዩ። ብሓባር ክንስደድ ምኽንያት ዝኾነ’ውን ንሱ’ዩ። ቢቢሲ፡ ምስ ተኣሰርካ ዘለኻዮ ቦታ ንምፍላጥን ናብ ቤት ፍርዲ ክሳብ ትቐርብን 7 መዓልታት’ዩ ወሲዱ። ናበይ ኢኻ ተወሲድካ? እተን ሸውዓተ መዓልታተ እንታይ’የን ዝመስላ ነይረን? ታምራት ነገራ፡ ምስ ተኣሰርኩ ንሸውዓት መዓልታት ናብ ቤት ፍርዲ ኣይቐረብኩን። ስድራይ’ውን ኣበይ ከምዘለኹ ክፈልጡ ኣይክኣሉን። ኣብቲ እዋን ናብ ከተማ ገላን ተወሲደ፡ ኣብ መሰልጠኒ ማእከል ፍሉይ ሓይሊ ኦሮምያ’የ ጸኒሐ። ወተሃደራዊ መዓስከር ምዃኑ፡ ናይቶም ዝኣሰሩኒ ወተሃደራዊ ክዳን ብምርኣይ’የ ፈሊጠ። እዚ ወተሃደራዊ መዓስከር እዚ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ናይ ኦሮምያ ፍሉያት ሓይልታትን ናይ ቅትለትን ስቕያትን ገበናት ዝፍጽምሉ’ዩ። ንሸውዓት መዓልታት ኸኣ ንበይነይ ምስ ካልኦት እሱራት ኣብ ዘይራኸበሉ ቦታ’የ ተኣሲረ ነይረ። ኣብቲ እዋን ምእንታይ ኢሎም ድምጾም ንዘስምዑ ኩሎም ብሽም እግዝኣብሄር ከመስግኖም እፈቱ። እሶም ድምጾም ብምስማዕ ጸቅጢ እንተዘይፈጥሩ ነይሮም፡ ምናልባት ሎሚ ብህይወት ኣይምሃለኹን። ቢቢሲ፡ ምስ ተፈታሕካ ስቕታ ኢኻ መሪጽካ፡ ንምንታይ? ንምንታይ ኢኻኸ ናብ ስራሓት ሚድያ ዘይተመለስካ? ታምራት ነገራ፡ ስቅታ ንኽመርጽ ዘገደዱኒ ብዙሓት ምኽንያታት ነይሮም’ዮም። ቀዳማይ ምስ ተፈታሕኩ ክዛረቦም ዝሓሰብኩ ብዙሓት ነገራት ነይሮም’ዮም። ብፍላይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ፖሊቲካ፡ ኣብ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያን ናይ ፖሊቲካ ኣንፈትን ምሳይ ዘይሰማምዑ ዝረኸብክዎም ብዙሕት ሰባት ነይሮም’ዮም። እንተኾነ፡ እዞም ሰባት ኣትሪሮም ዝተዛረቡኒ፡ ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ ዝርኣኻዮ ነገረት ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኮይናካ ክትዛረቦ ብፍጹም ኣይክንፈቕደልካን ኢና ዝብል’ዩ ነይሩ። እዚ ስድራይ ቅድሚ ከምኡ ምባሎም’ዩ። ብፍላይ ጃል ኣብዲ ረጋሳ [ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ላዕለወይ ሓላፊ ኦነግ] ብምምሕዳር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ቤተ-ሰቡን ብዙሕ መከራ፡ ስቓይን እዚ ኢልካ ክትገልጾ ዘይትክእል ግፍዕታት ካብ ዝርኣዩ ሓደ እዩ። ንሱ ኸኣ ኣትሪሩ ኣጠንቂቕኒ “ካብ ኢትዮጵያ ከይወጻእካ እዚ ዝነገርናካን ዝረኣኻዮን ነገር ከይትዛረብ” ኢሉኒ። ካልኣይ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከቡ ጸልማታት ኣብያተ ማእሰርቲ ዝፍጽሞ ዘሎ ብዓይነት ዝርኣኽዎ ከይተዛረብኩ ናብ ሚድያ ክምለስ ኣይክእልን’የ። ከም ጋዜጠኛን ከም ሓደ ኢትዮጵያውን ነዚ ከይተዛረብኩ ኣብ ሚድያ ክሰርሕ ኣይክእልን’የ። ነዚ ዝዛረበሉ መዓልቲ ክመጽእ’ዩ። ብዙሓት ዝሓዝክዎም መርትዖታት ኣለዉ። ነዚ ኸኣ ኣብ ቀረባ ክዝርግሖ’የ። ነዚ ከይገብር ናይ ብዓል ጃል ኣብዲ መጠንቐቕታን ናይ ቤተሰበይን ነይሩ’ዩ። እቲ ሳልሳይ ምኽንያት እቲ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ንሚድያ ዝኸውን ኣይኮነን። ስለዚ ክዛረብ እንተኾይነ፡ እቲ ዝዛረቦ ሓቂ ክኸውን ኣለዎ። ሓቂ ንምዝራብ ኸኣ ሓቂ ንክትዛረብ ኣብ ዘኽእለካ ቦታ ክትህሉ የድልየካ’ዩ። ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን ሓቂ ክትዛረበሉ ትክእል ቦታ’ዩ ኢለ ኣይኣምንን’የ። ነገራት ክቕየር እዩ ኢለ ንሸውዓተ ኣዋርሕ ተጸብየ። እንተኾነ እቲ ነገራት እናብኣሰ’ዩ ከይዱ። ቢቢሲ፡ ካብ ኣሜሪካ ተመሊስካ ኣብዛ ሃገር ንኽትሰርሕ ዝነበረካ ተስፋን ሕጂ ዳግማይ ናብ ስደት ንኽትምለስ ዘገደደካ ነገርን ኣወዳዲርካ ሕጂ ዘለካ ስምዒት ንገረኒ? ታምራት ነገራ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ካብ ኣሜሪካ ተመሲሰ ክመጽእ እንከለኹ ኣነ ጥራይ ዘይኮነ ብዙሓት ተስፋ ነይርና’ዩ። ሕጂ ተስፋ ዘቑርጽ ነገር’ዩ ዘሎ። ኣነ በዚ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ እምበር ብኢትዮጵያ ኣይኮንኩን ተስፋ ቆሪጸ። እቲ ስርዓት ተስፋኻ ዘጸንቅቕ’ዩ። እንተኾነ ብኢትዮጵያ ተስፋ ኣይቆርጽን’የ። ኣብዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሚድያ ስራሕ ምስራሕ ኣጸጋሚ’ዩ። ሚድያ ሓደ ጎኑ ንግዲ’ዩ። እንተኾነ ኣብዚ እዋን ዘሎ ሕገ መንግስትን ዓሌታውንትን ዝኾነ ዓይነት ስራሕ ንኽትሰርሕ ዘክእል ኣይኮነን። ስለዚ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ምስ ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ ተስፋ ዘቁርጽ’ዩ። እንተኾነ በቶም ዝገዝኡ ዘለዉ’ምበር በኢትዮጵያ ኣይኮንኩን ተስፋ ቖሪጸ። ቢቢሲ፡ ብድሕሪ ሕጂ ናብ ስራሓት ሚድያ ክትምለስ ዲኻ? ታምራት ነገራ፡ ሰራሓት ሚድያ ኣብ ውሽጠይ ስለ ዘሎን ናብ ዝኸድኩ ከይደ ካብ ውሽጠይ ተፋሒቑ ዘይፍለ ስለዝኾነን ዝተዛረብኩ ቋንቋ ይዛረብ ዝተርፍ ኣይኮነን። ስለዚ ናብ ስራሕ መራኸቢ ብዙሃን ክምለስ’የ። ክምለስ’የ ጥራይ ዘይኮነ፡ ተራራ ኔትዎርክ ናይ ኢትዮጵያውነት ድምጺ ኮይኑ ክቅጽል’ዩ። ደልዲልና ካብ ዝሓለፈ ብዝበለጸ ነጻ ብዝኾነ ኣገባብ ክቅጽል’ዩ። ብዛዕባ ኢትዮጵያ ተስፋ ምሃብ፡ ምምሃርን ድምጺ ምዃንን ኣይክተርፍን’ዩ። ቢቢሲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ እንከለኻ ካብ ዘካየድካዮ ስራሕ ክገብሮ ኣይነበረንን ወይ ክገብሮ ዝነበረኒ ትብሎ እንተሃልዩ? ታምራት ነገራ፡ ቅድሚ ምእሳረይ ሓደ መዓልቲ ሰለስተ ምሩቓት መንእሰያት ሰራሕ ቆጺርና ነይርና። ኩሉ ነገራት ወዲእና ነይርና ኢና። ስለዚ ካብቲ ዘጣዕሰኒ ነቶም መንእሰያት መጻኢ ትውልድን ኣብ ሃገረይ ኮይነ ካብታ ዘላትኒ ብዛዕባ ስራሕ ጋዜጠኛ ፍልጠት ከሰጋግረሎም ይደሊ ነይረ። ብዛዕባ ዲጂታላዊ ስራሕ ጋዜጠኛ ብሓዲሽ ኣገባብ ክሰርሕ ይደሊ ነይረ። ተራራ ኔትዎርክ ንምምስራት ብገንዘብ ናይ ስድራ ዝተገዝኡ ኣቑሑት ናይ ስትድዮ መንግስቲ ወሲድዎም ኣሎ። እንተኾነ እሱ ኣይኮነን ዘተሓሳስበኒ። እቲ ዘተሓሳስበኒ ንመንእሰያት ጋዜጠኛታት ሃገረይ ኣብ ሃገረይ ኮይነ ከርእዮም ዘይምክኣለይ’ዩ። ቢቢሲ፡ ናብ ኢትዮጵያ መዓስ ክምለስ’የ ኢልካ ትሓስብ? ኢትዮጵያ'ኸ ከመይ ኮይና ክትጸንሓካ ኢኻ ትደሊ? ታምራት ነገራ፡ ኩነታት ተተቐያይሩ ናብ ኢትዮጵያ ክምለስ ይኽእል’የ። እቲ ቀንዲ ዘተሓሳስበኒ ግን ምምላስን ዘይምምላስን ኣይኮነን። ንኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ወጻእን ዘሎ ኢትዮጵያዊ ብኸመይ ክትከውን ትኽእል እዩ ዘተሓሳስበኒ። እዚ ኸኣ ናተይ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ሕቶ’ዩ። ነዚ ንምግባር ዋላ ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ኮይነ ከበርክት’የ ኢለ እኣምን። እዛ ሕጂ ዘላ ኢትዮጵያ ንዝኾነ ትኸውን ኣይኮነተን። ከምቲ ኩሉ ግዜ ዝብሎ፡ እስራኤላውያን እስራኤል ምስ ፈረሰት ድሕሪ ክልተ ሽሕ ዓመት ተመሊሶም ሃኒጾማ። ኢትዮጵያ’ውን ናይ ምፍራስ ሓደጋ ከምዘለዋ ኩልና ንፈልጥ ኢና። ኢትዮጵያ ደው ክትብል እንደሊ ሰባት እንተተኻኢሉ ኣብ ዘመንና ከነጽንሓ ኢና። እንተዘይተካኢሉ ብቃል ደው ኣቢልናያ እቲ ቃል ዋላ ድሕሪ ሓደ ሽሕ ዓመት ይኹን ንኢትዮጵያ ዳግማይ ዝሰርሕ ክኸውን ግዴታ ኣለና ባሃላይ እየ። ቢቢሲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ምስ ምምስራት ኢሰፓ ተተሓሒዙ ስምካ ብተደጋጋሚ ይልዓል ነይሩ፡ ኣብዚ እንታይ ምልሲ ኣለካ? ታምራት ነገራ፡ ምስ ምምስራት ኢሰፓ ተተሓሒዙ ስመይ ምልዓሉ ንዓይ’ውን ዜና’ዩ። ዋላ ሓንቲ ዝፈልጦ ነገር የለን። ኣነ ኣባልን ደጋፍን ኢሰፓ ኣይኮንኩን። እንተኾነ ኣብ ግዚኡ ክምልሰሉ ኣይደለኹን። ካብዚ ብተወሳኺ ግን ምስ ዝኾነ ፖለቲካዊ ሰልፊ ርክብ ክህልወኒ ኣይደልይን’የ። ኣብ ግዜ ንእስነተይ ምስ ቅንጅት ተሳቲፈ’የ። ተመራጺ ነይረ። እቲ ፖለቲካዊ ሰልፊ ካብ ምምስራቱ ብቐረባ ይርእዮ ነይረ። ንቕነጅት ዘፍረስዎን ከቀጸልዎ ዝፈተኑን ኣመራርሓ ብቀረባ ምስኦም ሰሪሐ’የ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሰራርሓ ፖለቲካውያን ሰልፍታት እንታይ ከምዝመስል ርእየዮ’የ። ኣነ ኢትዮጵያ ብፖለቲካውያን ሰልፍታት ክትድሕን ትኽእል’ያ ዝብል እምነት የብለየን። በዚ ምኽንያት ድማ’የ ኣብ ስራሕ ናይ ሚድያ ዘቶኵር።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cnkqwnnwd8qo"} {"headline":"ትዊተር ብዛዕባ ኤሎን መስክ ንዝሓበሩ ጋዜጠኛታት ኣጊዱ","content":"ብዛዕባ ወናኒ ትዊትር ኤሎን መስክ ዝጸሓፉ ውሩያት ጋዜጠኛታት ትዊተር ‘ኣካውንታት’፡ ብሃንደበት ተኣጊዶም። ሪፖርተራት ኒውዮርክ ታይምስ፡ ሲኤንኤንን ዋሽንግተን ፖስትን፡ ካብ መንጐ እቶም ትማሊ ምሸት ናይ ትዊተር ኣካውንቶም ዝተዓጽወ እዮም። ወሃቢት ቃል ትዊተር ንመርበብ ሓበሬታ ቨርጅ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ እቲ እገዳ ንቦታ ዝምልከት ቀጥታዊ ሓበሬታ ምስ ምዝርጋሕ ዝዛመድ ከምዝኾነ ገሊጻ። እቲ ንትዊተር ብ 44 ቢልየን ዶላር ዝዓደገ ኤሎን መስክ፡ ንናይ ውልቍ ጀት ብምክትታል ብትዊተር ሓበሬታ ዝዝርግሕ ሰብ ምሕናዩ ስዒቡ’ዩ፡ ናይዞም ውሩያት ጋዜጠኛታት ‘ኣካውንታት’ ትዊተር ተኣጊዱ ዘሎ። ኣብ ዝርዝር እቶም ጋዜጠኛታት፡ ሚ ቻ ሊ ካብ ዘ ኢንተርሰፕት፡ ማት ቢንደር ካብ ማሻብል፡ ዘይሻራዊ ጋዜጠኛ ኣሮን ሩፓርን ቶኒ ዌብስተርን’ውን ይርከብዎም። ሓላፊት ድሕነትን እምነትን ትዊተር ዜላ ኤርድዊን፡ እዞም እገዳታት፡ ምስቲ ብረቡዕ ዝተኣታተወ ሓድሽ ሕጊ ትዊተር ዝዛመዱ ኰይኖም፡ “ቀጥታዊ ሓበሬታ ቦታ፡ እንኰላይ ኣብ ትዊተር ብቐጥታ ዝካፈል ፈለግ (መላግቦ) ወይ ድማ ምስ ዩአርኤል ሳልሳይ ወገን (URL) መስመራት ጕዕዞ ዝራኸብን ዝርከቦም” ዝኽልክሉ እዮም ኢላ። ትዊተር ኣብዚ ፖሊሲ ንጋዜጠኛታት ፍሉይነት ከምዘይገብር ዝሓበረት እታ ወሃቢት ቃል፡ “ብዛዕባ ዝዀነ ፍሉይ ኣካውንት ርእይቶ እንከይሃብኩ፡ ዝዀነ ይዅን ንፖሊሲታት ውልቃውነት (privacy) ዝጥሕሱን ንኻልኦት ተጠቀምቲ ኣብ ሓደጋ ዘውድቝን ኣካውንታት ከም ነቋርጾም አረጋግጽ” ክትብል ተዛሪባ። ትዊተር፡ ትማሊ ረቡዕ፡ ነቲ ንበረራታት ውልቀ ነፋሪት ኤሎን መስክ እናተኸታተለ ኣብ ትዊተር ሓበሬታ ዝዝርግሕ ኣካውንት @ElonJet ዝርከቦም፡ ወግዓዊ ሓበሬታት ተጠቒሞም ንበረራታት እቲ ቢልየነር ዝከታተሉ ካልኦት ኣካውንታት’ውን ኣጊዱ ኣሎ። ውልቀ ኣካውንት ወዲ 20 ዓመት ጃክ ስዊኒ @ ElonJet፡ እውን ተኣጊዱ ኣሎ። ኤሎን መስክ ኣብ ልዕሊ ጃክ ስዊኒን ኣብ ልዕሊ ስድራይ ንዝወረደ ጉድኣት ዝድግፉ ካልኦት ትካላትን ሕጋዊ ስጕምቲ ክወስድ እየ ብምባል ተሓንዩ። ኤሎን መስክ ሓደ “ዕቡድ ሃዳናይ”፡ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ደቁ ንዝሓዘት መኪና ንምርካብን ንምጥቃዕን፡ ቀጥታዊ መከታተሊ ቦታታት ከም ዝተጠቐመ ገሊጹ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cldnqy9v19qo"} {"headline":"ሽሪን ኣቡኣቕላ፡ እስራኤል እታ ውርይቲ ጋዜጠኛ ብወተሃደራታ ከም እተቐትለት ኣንፊታ","content":"ሰራዊት እስራኤል፡ እታ ውርይቲ ጋዜጠኛ ኣልጀዚራ ዝነበረት ፍልጤማዊት-ኣሜሪካዊት፡ ብሓደ ወተሃደር እስራኤል ተቐቲላ ክትከውን ከም እትኽእል ደምዲሙ። እታ ጋዜጠኛ ኣልጀዚራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ወተሃደራት እስራኤል ናብ ምዕራባዊ ገማግም ደፊኦም ድሕሪ ምእታዎም ንዝተፈጥረ ቅልውላው ኣብ እተቃልሓሉ ዝነበረት እዋን፡ ብዝተተኰሰላ ጥይት’ያ ኣብ ርእሳ ተወቒዓ ሞይታ። ነዚ ኸኣ ሕጂ ሰራዊት እስራኤል ሓላፍነት ክወስደሉ ዝደለየ ይመስል ኣሎ። ላዕለዋይ በዓል መዚ ሕጋዊ ጉዳያት ሰራዊት እስራኤል፡ ነቲ ጉዳይ ኣድማዒ መዛዘሚ ክኸውን ንዝነበሮ፡ ገበናዊ መርመራ ‘ቲ ውልቀ ቐታሊ ግን ነጺግዎ። ስድራቤት ሽሪን፡ ሰራዊት እስራኤል ካብ ሓላፍነት ክሃድምን ሓቂ ክዓብጥን ዝገበሮ ፈተነ ከምዘየገርሞም እዮም ዝገልጹ። ሽሪን ኣቡኣቕላ፡ ነቲ ኣብ መንጐ’ቶም ደፊኦም ዝኣተው ወተሃደራት እስራኤልን ዕጡቓት ፍልስጤማውያንን ዝተፈጥረ ጐንጺ ንዝሰዓበ ውግእ ንኽትጽብጽብ እያ፡ ብ 11 ግንቦት ናብ መዓስከር ስደተኛታት ጀኒን በጺሓ። ኣብቲ ቦታ ኸኣ ሀልመት ቈብዕን፡ “Press”  ዝብል ዝተጻሕፎ ሰመያዊ ጥይት ዝከላኸል ክዳን እያ ለቢሳ ነይራ። ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ንኣቀታትላኣ ዝምልከት ዝህቦ ጸብጻብ ኣካል ናይቲ ጉዳይ ቅትለት ኰይኑ እዩ ጸኒሑ። መሰኻኽር ዓይኒን ሰበስልጣን ፍልስጤምን፡ ሓደ ወተሃደር እስራኤል ብዝተኰሶ ጥይት ከም እተቐትለት ክገልጹ ጸኒሖም እዮም። እዚ ድማ ጸኒሑ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተፈላለዩ መርመርቲ ጋዜጠኝነትን ዝተረኽበ መረዳእታታት ተደጊፉ እዩ። ብኣሜሪካ ዝቐረበ ዳህሳስ’ውን፡ እታ ቀታሊት ጥይት ካብ ወተሃደራት እስራኤል ከም ዝተተኰሰት ልዑል ተኽእሎ ከም ዘሎ ይገልጽ። በዚ ኸኣ፡ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ነቲ ክገብሮ ዝጸንሐ ሓያለ ውሽጣዊ መርመራታት ከም ዘጠናቐቐ ገሊጹ'ሎ። ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እስራኤል ትማሊ ሰኑይ ከም ዝበሎ፡ “ብሓደ፡ ጋዜጠኛ ምዃና ፍልዩ ክርእያ ዘይከኣለ ወተሃደር ብጌጋ” ተቐቲላ ክትከውን ልዑል ተኽእሎ ኣሎ፡ ኢሉ። ብተወሳኺ፡ መርመርቲ ነቲ ወተሃደር ከም ዘዘራረብዎ’ውን ገሊጹ። “ንሱ -እቲ ወተሃደር - እንታይ ከም ዝገበረ ነጊሩና እዩ፤ እቲ ዝገበሮ ድማ ብጌጋ እዩ፡” ይብል። “ብዛዕባ’ቲ እቶም ወተሃደራት ዝዋግኡሉ ዝነበሩ ከባቢ ጸቒጠ ክዛረብ እደሊ። ንሳቶም፡ ብዅሉ ኣንፈታት ጠያይት እናዘነቦም፡ ከለላ ተገይሩላ ኣብ ዝነበረ ወተሃደራዊት መኪና እዮም ነይሮም፡” ይብል እቲ በዓል ስልጣን። እንተዀነ፡ ኣብታ ሽሪን ዝተሃርመትላን ጋዜጠኛታትን ሓልፍቲ መገድን ዝተኣከቡላ ህሞት ንዝነበረ ኵነታት እተርኢ ቪድዮ፡ ኣንጻር'ዚ ብሰበስልጣን እስራኤል ዝቐርብ ዘሎ ምጕት እዩ። ወተሃደራት እስራኤል ካብ 200 ሜትሮ ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ከም ዝነበሩ እዩ ዝግመት። እቲ ቪድዮ ድማ፡ ናብቲ እቶም ጋዜጠኛታት ዝነበርዎ ሸነኽ ዘቕንዐ፡ ንሓያለ ደቓይቕ ዝተተኰሰ ጠያይት ከም ዝነበረ የርኢ። ብዛዕባ’ዚ ሽዑ ዝተላዕለ ቪድዮ ኣመልኪቱ ነቲ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን እስራኤል ብቢቢሲ ሕቶ ቀሪቡሉ እዩ፤ ንሱ፡ ወተሃደራት ኣብ ጽዑቕ ተዅሲ ከም ዝነበሩን፡ ካብ ውሽጢ’ታ ዝነበርዋ “ጂፕ” ዝዓይነታ ወተሃደራዊ መኪና ኰይኖም ከኣ ኣብ ደገ እንታይ ይኸውን ከም ዝነበረን ብዛዕባ’ቶም ጋዜጠኛታት ፈልዮም ክፈልጡን ኣብ ዘይክእሉሉ ኵነታት እዮም ነይሮም፡ ይብል። ገበናዊ መርመራ ብዘይምክያዱ፡ [ብውልቂ ተሓታትነት ዝስከም ገበነኛ ዘይምህላው] ንፍልስጤማውያን ኣቘጢዑ ኣብ ርእሲ ምህላው፡ ንቤተሰብ’ውን ደግሲ ኰይኑዎም ከም ዘሎ ተፈሊጡ’ሎ። ነቲ ብሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ዝወጽአ መግለጺ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፡ እቶም ስድራ፡ “ገበነኛታት ኲናት እስራኤል፡ ንናይ ገዛእ ርእሶም ገበናት ዝዀነ ምርመራ ከምዘይገብሩን ከም ዝሸፋፍኑን ንዅሉ ብሩህ እዩ። ንሕና ኸኣ ኣብ ዓሚቝ ጓህን ቅዛነትን ተሪፍና ኣለና፡” ኢሎም። ትካላት ሰባዊ መሰላት እስራኤልን ፍልስጤምን፡ ነቲ ብምክልኻል እስራኤል ዝግበር፡ “ውሽጣዊ  ምርመራ” ካብ ነዊሕ ኣትሒዞም ክነቕፉ ዝጸንሑ ክዀኑ እንከለው፡ እዚ ኣገባብ፡ ወተሃደራት እስራኤል ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ፍስልጤማውያን ንዝገብርዎ ቅትለት፡ ዳርጋ ዘይተሓተትቲ ዝገብር እዩ፡ ብምባል ክነቕፍዎን ክምጕትዎን ጸኒሖም እዮም። ብፍልስጤማውያንን ኣዕራብ እስራኤላውያንን ኣብ ጐደናታት ብሰንኪ ዝተፈጸመ 18 ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም፡ ተፍትሽ፡ ማእሰርትን፡ ምፍራስ ኣባይትን ኣሐዪሎም። ገለ ካብዞም ፈጸምቲ እዚ ተግባራት ካብ ጀኒን ዝመጹ ምዃኖም እዮም ሰበስልጣን እስራኤል ዝኸሱ፤ ጸኒሑ ድማ ሓደ በዓል ስልጣን ኣብ መወዳእታ ግንቦት ተቐቲሉ። ሰበስልጣን እስራኤል፡ እንተላይ ቀዳማይ ሚኒስተር ናፍታሊ በነት፡ ፈለማ ሽሪን ኣቡኣቕላ ብዕጡቓት ፍልስጤማውያን ከም እተቐትለት እዮም ክምጕቱ ዝተሰምዑ። እንተዀነ ኣብዚ ጕዳይ ናጻን ግሉጽን ምርመራ ንኽግበር ኣህጕራዊ ጸቕጢ እናሓየለ ምስ ከደ፡ ጸኒሑ ሰራዊት እስራኤል፡ ብወተሃደራቱ ምቕታላ ሓደ ካብ ክልተ ተኽእሎታታት እዩ፤ እቲ ካልኣይ ብዕጡቓት ፍልስጤማውያን እዩ ክብል ተሰሚዑ። እታ ጓል 51 ዓመት ጋዜጠኛ ኣልጀዚራ፡ ንሰለስተ ዕቝድ ጉዳያት ዓረባዊ ዓለም ብስፍሓት ሸፈነ ክረክብ ብምግባራ፡ ኣብቲ ዞባ ሰፊሕ ክብርን ኣድናቘትን ዝነበራ እያ። ምቕታላ ብኡ ንብኡ ዓለምለኻዊ ኣቓልቦ ረኺቡ፤ ከም ሓደ ትእምርቲ ናይቲ ኣብ እዋን መጥቃዕቲታት እስራኤል ዝፍጸም ግን ከኣ ዳርጋ ዘይንገር ቅትለት ስቪላውያን ሰባት ተገይሩ ኸኣ ተወስደ። ስድራቤታ ምሉእ ተሓታትነት ክህሉን፡ ገበናዊ መርመራ ክካየድን እዮም ክሓቱ ጸኒሖም። ሓዋ ኣብ ሓምለ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ “ንሳ ሕጋውነት ብዝጠሓሰ ኣገባብ እያ ተቐቲላ፣ ስለዚ ኣብዚ ጉዳይ ሓደ ሰብ ተሓታቲ ክህሉ ጥራይ ኢና ንደሊ፡” ኢሉ። ነዚ ስዒቡ ድማ፡ እቲ እስራኤል እትብሎ \"ውሽጣዊ መርመራ” ሕቶታት ከልዕል ጀሚሩ። ሽሪን ኣቡኣቕላ ድሕሪ ምቕታላ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ ሰበስልጣን እስራኤል፡ ብዕጡቓት ፍስጤማውያን እያ ተቐቲላ ዝብል ወረን ቪድዮታትን ክዝርግሑ ጀሚሮም ነይሮም። ጐድኒ ጐድኒ እዚ ድማ፡ ሰበስልጣን ፍልስጤም ምርመራ ከይካየድ ይዓናቕፉ ከም ዘለው ብምኽሳስ፡ ነቲ ቀቲሉ ዝተባህለ ወተሃደር ንምውሳን ዘኽእል፡ ተቐቲላትሉ ዝተባህለ ጥይት ከረክቡን ሓቲቶ ነይሮም። ፍልስጤማውያን ግን፡ እስራኤላውያን ከምዘይእመኑ እዮም ዝገልጹ። ሓደ በዓልስልጣን ፍስልጤም ነቲ ባዕላቶም ዘካየድዎ መርመራን፡ ኣብታ ዝተረኽበት ጥይት ዘተኰረ ውጽኢት መርመራ ምርኩስ ብምግባር፡ “እቲ ሓደ ምንጪ ‘ቲ ተዅሲ ብሸነኽ እቲ ሓይልታት እስራኤል ሒዞምዎ ዝነበሩ ቦታ ጥራይ እዩ፤ ንቕትለት ዒላማ ገይሩ ዝተተኰሰ ድማ እዩ፡” ኢሉ። ምምሕዳር ኣሜሪካ ኣብዚ ጉዳይ ጣልቃ ክኣቱ ተደጋጋሚ ጻውዒት ቀሪቡ እዩ። ኣብ ግንቦት ሓያለ ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ፡ ብትካላት ኣኽበርቲ ሕጊ ኣሜሪካ መርመራ ክካየድ ዝጽውዕ፡ ፊርማኦም ዝተነብሮ ደብዳበ ናብ ኤፍቢኣይን ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካን ኣቕሪቦም። ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ፍልስጤማውያን ነታ ከም መርትዖ ዝሓዝዋ፡ ነታ ጋዜጠኛ ዝቐተለት ጥይት ንኸረክቡ ኣብ ሓምለ ጸቕጢ ኣካይዱ። እንተዀነ ኣሜሪካ፡ እቲ ብናጻ መርመርቲ ዝተኻየደ ፎረንሲካዊ ዳህሳስ፡ እታ ጥይት ኣመና ስለዝተበላሸወት ናብ ሓደ ንጹር መደምደምታ ክበጽሕ ከምዘይከኣለ እያ ገሊጻ። ብተወሳኺ፡ ብኣወሃሃዲ ጸጥታ ኣሜሪካ ዝተገብረ ገምጋም ናይቲ ብእስራኤልን ፍልስጤምን ተኻይዱ ዝተባህለ መርመራ፡ “እቲ ካብቲ ሓይልታት እስራኤል ዝነበርዎ ሸነኽ ዝተፈነወ ተዅሲ፡ ንሞት ሽሪን ኣቡኣቕላ ምኽንያት ምዃኑ ደምዲሙ።” ብዘይካ'ዚ፡ ሞት ሽሪን “ሓይልታት እስራኤል ብዘካየድዎ ስርሒት ብዝተኸስተ ዘሕዝን ኵነታት ዝሰዓበ እዩ፡” ድሕሪ ምባል፡ እቲ ቅትለት ኰነ ተባሂሉ ዝተፈጸመ እዩ ንዝብል “ዘእምን ምኽንያት” ከምዘይተረኽበ ኣሜሪካ ትገልጽ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ኣብቲ ዞባ ኣብ ዘካየዶ ዑደት፡ ሓው ሽሪን፡ “እቲ ስድራ ብኣሜሪካ ተጠሊሙ እዩ፡” ክብል ተዛሪቡ። መርማሪ ጕጅለ ኤፍቢኣይ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሓብቱ ዝተፈጸመ ቕትለት ክምርምሩ ናብቲ ቦታ ክኸዱ ጸዊዑ ነይሩ። ብድሕሪ’ዚ ስድራቤት ኣቡኣቕላ፡ ንጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዋሽንግተን ረኺቦም ከም ዘዘራረብዎ ብምግላጽ፡ ንጻውዒቶም “ትርጕም ዘለዎ ምላሽ” ኣይሃበን ኢሉ ነይሩ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cxre57gln09o"} {"headline":"ንኤርትራውያን እሱራት ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ዝዝክር ኤግዚቢሽን ኣብ ፓርላማ ብሪጣንያ ይርአ ኣሎ","content":"ብ 06 ታሕሳስ ኣብ ዌስት ምኒስተር ፓርላማ ብሪጣንያ ቅድሚ 21 ዓመታት ተኣሲሮም ናይ ዝተሸርቡ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ደሞክራሲያዊ ቅዋማዊ መንግስቲ ክትከል ብምሕታቶም ብዘይ ንቡር ፍርዳዊ መስርሕ ዝተሰወሩ ደለይቲ ሓርነትን ድሕረ ባይታ ዘንጸባርቕ ስእላዊ ምርኢት ብወግዒ ተኸፊቱ፡ ይርአ'ሎ። ዕላማ ናይቲ ምርኢት፡ ኵነታት ናይቶም ኣብ ኤርትራ ተቐይዶም ዝተሰወሩ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ከምኡ እውን ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ፡ ኣፍልጦ ንኽረክብ ምዃኑ ኣባል ባይቶን ሓደ ካብ ወደብቲ እቲ ምርኢትን ፓትሪክ ግረዲ ገሊጹ። “ኣባላት ባይቶን ህዝቢ ብሪጣንያ ብሓፈሻኡን ኣስማት ናይዞም ተኣሲሮም ዝተሰወሩ ግዳያት ክፈልጥዎም ንደሊ ኢና። ንነዊሕ ዓመታት፡ እዞም ኣካል ናይ ብኤ-ኤ-ፒ-ጂ [ብኣባላት ፓርላማ ብሪጣንያ ዝቘመ ጕጅለ) ዝዀንና፡ ሰባት ዝንብዕ ምስክርነታት ሰሚዕና ኢና፤ ምስክርነት ናይቶም ኣደታቶም፡ ኣቦታቶም፡ ኣሓቶም ኣሕዋቶም፡ ደቆምን ኣዝማዶምን እሱራቶም ኣበይ ከምዘለዉ፡ ብሂወት ኣለዉ ድዮም የለዉን ዘይፈልጡ። “ክትኣምኖ ዘጸግም ዛንታታት ኵነታት መዳጐኒታት፡ኣብ ኮንተይነራት መጓዓዝያ ምዕጻው፡ ኣብ ሃሩር ምድረ በዳታት ኣብ ዝርከብ ጎዳጒዲ ምቕባር፣ ከምኡ’ውን ዛንታታት ናይቶም ኣብ ኲናት ጐረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ንኽዋግኡ ከካብ ኣባይቶም ብሓይሊ ዝግፈፉ ንኣሽቱ መንእሰያት፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ሰሚዕና ኢና” ክብል እቲ ኣባል ባይቶ ተዛሪቡ። ብድሕሪኡ ኣባል ባይቶን፡ ሓላፊት ጉዳያት ኣፍሪቃ ሰልፊ ዕዮን ሊን ብራውን ኣብ ኤርትራ ናጻ ብሕታዊ ፕረስ፡ ናጻ ፍርዳዊ ኣካል፡ ንተቓወምቲ ዝሓቁፍ ፖለቲካዊ ስርዓት ስለዘየሎን መንግስቲ ንዅሉ ሲቪካዊ ንጥፈታትን ቁጠባን ናይታ ሃገር ስለዝተቘጻጸሮ ብዛዕባ እታ ሃገር ዝተማልአ ሓበሬታ ክርከብ ኣጸጋሚ ምዃኑ ሓቢራ። “ንስኻትኩም ድምጺ ዕቡሳትን ልሳን ግዳያትን ኴንኩም ነዚ ምርኢት እዚ ስለዝወደብኩም ኣዝየ የመስግነኩም። ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዕን ክፈልጦ ትጽዕሩ ብምህላውኩም ንትብዓትኩም ኣድንቘ” ኢላ። ፓርላማ ዓባይ ብሪጣንያ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸሞ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከይኣክል ኣብ ኵናት ኢትዮጵያ ኢዱ ብምእታው ግፍዒ ምፍጻሙ ኰኒኑ። እቲ ዕሽሽ ዝተባህለ ጉዳይ ሰፊሕ ኣቓልቦ ክረክብን ኣብቲ ዞባ ሰላምን ርግኣትን ንኽመጽእ ዝከኣላ ክጽዕሩ ምዃኖም ገሊጾም። ሎርድ ኣንቶን ብወገኑ እቲ ኣባላት ባይቶ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝመሓለለፍሉ ላዕለዋይ ኮሪደር ቀሪቡ ዘሎ ስእላዊ ምርኢት ብዙሕ ክጸሉን እቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣቓልቦ ንኽረክብን ኣዝዩ ሓጋዚ ምዃኑ ገሊጹ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽበ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ፍሉይ ተኸታታሊ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ መሓመድ ዓብዱ ሰላም ባቢከር ብወገኑ፡ ምስዋር ናይቶም ግዳያት ሓደ መርኣያ ናይቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ምግሃስ መሰላት ዘርኢ ምዃኑ ተዛሪቡ። ኣብ መስከረም 2001 ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሓያሎ ሚኒስተራት፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ፡ ከምኡ'ውን ሓያለ ጋዜጠኛታት ን21 ዓመታት ተሰዊሮም ኣለው። \"እዞም ኣብ ዓለም ንዝነውሐ ግዜ ዝተኣስሩ፡ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲን መዳጒኒታትን ብስዉር ይሳቐዩ ኣለዉ\" ክብል ‘ስፐሻል ራፖርተር’ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ንሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ነይሩ። \"መንግስቲ ኤርትራ፡ ንቈልዑ፡ እሱራት ፖለቲካ፡ብኣማኢት ዝቝጸሩ ብስዉር ዝተኣስሩ ሰባትን ብምኽንያት ሃማኖታዊ እምነቶም ዝተኣስሩን ክፈትሕ ኣለዎ. . .ኵሎም ኤርትራውያን ከኣ ሃይማኖታዊ እምነቶም ብናጽነት ከምልኹ ከፍቅደሎም ይግባእ\" ይብል ዶ\/ር ባቢከር ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ። ባቢከር ኣብቲ ትማሊ ምሸት ዘቕረቦ ምስክርነት፡ መንግስቲ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክምርምር መርማሪ ናብ ኤርትራ ክኣቱ ዘቕረቦ ጠለብ ብሰብ መዚ መንግስቲ ኤርትራ ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ሓቢሩ። ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንዘጻሪ ባቢከር ክተሓባበሮን እታ ሃገር ሰብኣዊ መሰላት ከተኽብርን ክርእን ክሰምዕን ትጽቢት መንግስቲ ብሪጣንያ ምዃኑ ተዛረቡ። ኣብቲ ስነ ስርዓት መኽፈቲ፡ ዳይረክተር ፐን ኤርትራ መንእሰይ ዓወት ፍስሃየ፡ ነቶም ናይ ደገፍ መልእኽቲ ዝሃቡ ኣባላት ፓርላማን፡ ነቶም ንልዕሊ 20 ዓመታት ብዘይ ደሃይ ዝተሰወሩ ኤርትራውያን እሱራት ዘሕልፉዎ ዘለው ቃንዛን ስቓይን ዘንጸባርቕ ኤግዚብሽን ክርእዩ ንዝመጽኡ ደለይቲ ለውጢ ተቓለስቲ ፍትሒ፡ ንስድራ ቤታቶም፡ ኣዕሩኾም ብምምስጋን ነቲ 'ግዜያዊ እገዳ' ብእትብል ሓረግ ብ18 መስከረም 2001 ንጋዜጣታት ብሕቲ ዝኣገደን ንኣዳለውተን ኣሲሩ ዝሰወረን ስርዓት ኮኒኑ። “ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ኰይና ነቲ ጆርጅ ኦርወል ኣብታ '1984' እትብል መጽሓፉ ድራማዊ ሃዋሁ ስቓይን መከራን ዘንጸባርቕ ኵነት ምሉእ ብምሉእ ትለማመዶ ኣላ። ኣብ ኤርትራ፡ ነብሲ ወከፍ ሰብ ሰብኣዊ ክብረቱን ናጽነቱን ተሓዲጉ፡ እንታይ ጌርካ ዘይኮነስ እንታይ ሓሲብካ ተባሂሉ ዝሕተተሉ ኵነት እዩ ዘሎ” ክብል ንሃለዋት እታ ሃገር ምስ ዛንታ መጽሓፍ ጆርጅ ኦርወል ብምምስሳል ገሊጽዎ። ብተወሳኺ መንእሰይ ዓወት፡ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ካድራቱን ነቶም ናይ ፖለቲካ እሱራት ካብ ተዘክሮን ታሪኽን ንምድምሳስ ዝከኣሎም ዘበለ ከምዝገብሩ ብምሕባር፡ “ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጨካን ዘይፍትሓዊ ተግባራት ክንቃወምን ክንብድህን ኣብዚ ኣደራሽ ተረኺብና ኣሎና” ክብል እቶም ናይ ሕልናን ፖለቲካን እሱራት ብዝቐልጠፈ ክፍትሑ ጸዊዑ። እቲ ብኤርትራ ፎካስ፡ ብፐንን ኣምነስት ኢንተርናሽናል ዝተዋደደ ካብ መስከረም 2001 ኣትሒዞም ክሳብ ሕጂ ብዘይ ወግዓዊ ሓበሬታን ሃለዋትን ኣብ ሸላታት ዒላዒሮን ፈቐዶ ጐዳጒድን ተሸሪቦም ናይ ዘለው ግዳያት ዘንጸባርቕ ኣብ ኮሮድዮ ቤተ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ቀሪቡ ዘሎ ኤግዚቢሽን ድሮ ሓያሎ ኣባላት ባይቶ ይዕዘብዎ ኣለዉ። ኣብቲ ምርኢት ሓያሎ ደለይቲ ፍትሒ ተቓለስቲ ኤርትራውያን ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ ተረኺቦም ነይሮም። ዳርጋ ኵሎም እቶም ተጣበቕቲ መሰላት ኣሳእልን ናይቶም ብዘይ ንቡር ተቐይዶም ብዘይ ደሃይ ዝተሸርቡ ጋዜጠኛታትን ደለይቲ ሓርነትን ብምሓዝ መንግስቲ ኤርትራ ብዘይ ዝዀነ ይዅን ቅድመ ኵነት ክፈትሖምን ንስድራቤቶም ሃለዋቶም ክነግርን ዝጽውዕ ሓያሎ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካየዱ እዮም። እቲ ትማሊ ሰሉስ 06 ታሕሳስ 2022 ኣብ ፓርላማ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተኸፍተ ስእላዊ ምርኢት ንዝቕጽል ሳልስቲ ንፖለቲከኛታት ኣባላት ፖርላማ ዓባይ ብሪጣንያን በጻሕትን ክፉት ኰይኑ ክቕኒ እዩ። እቶም ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ኣብ ዘይስመዓሉ ሸላታትን ፈቐዶ ጐዳጕድን ተሸሪቦም ዘለው እሱራት፡ ኣብ ሓደ እዋን ንዝኸድናዮ ጕዕዞ ቃልሲ ገምጊምና፡ ጕደለታትና ኣሪምና፡ ንህዝብና ዝኣተናሉ መብጽዓ ብምኽባር ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ክንተክል ኣሎና ብምባሎም ከምዝተኣስሩ ገዲም ተጋዳላይ ጴጥሮስ ተስፋገርግሽ ይገልጽ። መንግስቲ ኤርትራ ግን ነቶም ጋዜጠኛታትን እሱራት ፖለቲካን ብኽሕደት ሃገር እዩ ዝኸሶም።ብዛዕባኦም ንዝጣበቕ ዝዀነ ይዅን ወገን ከኣ ምስልን ስምን ኤርትራ ንምድዋን ብኣሜሪካን ሃገራት ምዕራብን ዝድገፉ ልኡኻት ዝነዝሕዎ ምስይጣን እዩ ክብል እዩ ዝነጽጐ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c5162jp6gvmo"} {"headline":"ናይ ሓሶት ሓበሬታ ክዝርግሓ ዝጸንሓ ልዕሊ 100 ማዕከናት ዜና ፈሊና ኣለና' - ፖሊስ ኢትዮጵያ","content":"ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ፡ ልዕሊ 100 ኣብ ኢንተርነት ዝነጥፋ ማዕከናት ዜና፡ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ዘረባታት ጽልእን ይዝርግሓ እየን ብምባል ክኸስስ እንከሎ፡ ነተን ዓሰርተ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከም ዘውዓለ ገሊጹ። ኣብቲ ትማሊ ረቡዕ ዝወጽአ መግለጺ፡ \"ሰላምን ጸጥታን ህዝቢ ዝህውኻ፡ ብብሄርን ሃይማኖትን ግጭት ዘለዓዕል ሓበሬታን ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳን ዝዝርግሓ\" ዝበለን 111 ናይ ኦንላይን ማዕከናት ዜና ከም ዘለለየ ኣፍሊጡ። እዘን ማዕከናት ዜና ኦንላይን፡ \"ብሄር ምስ ብሄር፡ ሃይማኖት ምስ ሃይማኖት ብምግጫው ሰላምን ጸጥታን ሃገር ንምዝራግ ክንሰርሓ ዝጸንሓ እየን፡\" ንዝበለን ዓሰርተ ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ብምእታው መርመራ ይገብር ምህላው'ውን ፖሊስ ብተወሳኺ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሳምንታት 18 ዝዀኑ ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት መራኸቢ ብዙሃንን ከም ዝተኣሰሩ ይዝከር። እዚ ብኣካለት ጸጥታ ዝውሰድ ዘሎ ስጕምቲ ንትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን መሰል ጋዜጠኛታትን ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ። እዘን ማዕከናት ዜና ዝዀነ ፍቓድ ከምዘይብለን'ውን እቲ መግለጺ ፖሊስ ይጠቅስ። እንተዀነ፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ እዘን መራኸቢ ብዙሃን መርመራ ከም ዝጀመረ ብምግላጽ፡ መንነት እተን ማዕከናት ዜና ካብ ምግላጽ ከም ዝተቘጠበ ኣፈኛ ፖሊስ ኮማንደር ፋሲካ ፋንታ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ኣብ ክልል ኣምሓራ 'ወፍሪ ምኽባር ሕጊ' ብዝብል ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝጀመረ ስጕምቲ፡ ኣብ ባህር ዳር፡ ኣብ ክልተ ዝተፈላለያ ትካላት ዜና ኦንላይን ዝሰርሑ ትሽዓተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ዝዝከር እዩ። ብድሕሪኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ማኔጂን ዳይሬክተር መጽሄት 'ፍትህ' ዝዀነ ተመስገን ደሳለኝ ዝርከቦም ብርክት ዝበሉ ኣብ ዝተፈላለየ ማእከናት ዜና ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ይርከቡ። ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት 18 ዝዀኑ ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት መራኸቢ ብዙሃንን ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ተወሳኺ ቈጸራ ተዋሂብዎም ኣሎ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ተሓላቒ መሰል ጋዜጠኛታት ሲፒጄን እቲ ማእሰርቲ ከም ዘሻቐሎም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣፍሊጦም።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c80pnxp71d4o"} {"headline":"ኢትዮጵያውያን: ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታትን ዝቐረበሎም ክስታትን","content":"ኣብ ቀረባ እዋን፡ መንግስታት ፌዴራልን ክልል ኣምሓራን የካይድዎ ኣብ ዘለዎ 'ሕጊ ናይ ምኽባር' ዝበልዎ ወፍሪ፡ ልዕሊ 16 ጋዜጠኛታት ኣብ ቀይዲ ኣውዒሎም ኣለዉ። ካብ መንጎኦም፡ ብሞያ ጋዜጠኝነቶም ዝፍለጡ፡ ሰለሞን ሹምዬ፣ ተመስገን ደሳለኝ፣ ያየሰው ሽመልስ፣ መዓዛ መሐመድን በቃሉ አላምረውን ናዕቢ ምልዓል ዝብል ክሲ ተመስሪቱዎም ይርከብ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ መንግስቲ ኣመሪካን ዓለም ለኸ ተጣበቕቲ መሰላት ጋዜጠኛታትን፡ ነቲ ማእሰርቲ ብምቅዋም ንዘለዎም ሻቕሎት ዝገልጽ መግለጺታት ኣውጺኦም ኣለዉ። መስራቲ ዩቲዩብ ሚዲያ ኢትዮ-ፎረም ዝኾነ ጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ 18 ግንቦት 2014 ዓ.ም ኣብ ቀይዲ ውዒሉ። ኢትዮፎረም፡ ኲናት ትግራይ ብዝምልከት ካብቶም ሰፊሕ ሽፋን ዝህቡ ሒደት ሚድያት ኢትዮጵያ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ያየሰው ህውከትን ናዕብን ብምልዓል፣ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፌዴራል ንክዕምጽ ብምልዕዓልን ሃይማኖት ምስ ሃይማኖት ብምግጫውን ዝብል ክሲታት ተመስሪትዎ ኣሎ። ፖሊስ፡ ነቲ ዝተባህለ ተግባር ንምፍጻም ድማ 'ገንዘብ ተኸፊልዎ እዩ' ዝብል ክሲ መስሪትሉ ይርከብ። ቤት ፍርዲ 19 ግንቦት 2014 ዓ.ም ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ፡ ንፖሊስ 10 ናይ ምርመራ መዓልታት ፈቒዱ ኣሎ። ኣብዚ መጋባእያ፡ ብሚዲያን ቁጠባን ውግእ ከምዝኸፍተን ነዚ ዝመርሕ ሕቡእ ጉጅለ ከምዘሎን ፖሊስ ተዛሪቡ። ጋዜጠኛ ያየሰው ቅድሚ ሕዚ'ውን ክልተ ግዜ ተኣሲሩ ዝነበረ ዀይኑ፡ ብገበን ራዕዲ ተተርጢሩ ነይሩ እዩ። መጋቢት 2012 ዓ.ም ተኣሲሩ ዝነበረ ያየሰው ሽመልስ፡ ኣብ ቴሌቪዥን ትግራይ ሳምንታዊ መደብ ኣሰናዳኢ ዝነበረ ዀይኑ ኣብ መጽሔት ፍትህ ድማ ስሩዕ ዓምዲ ነይሩዎ። ኣብቲ እዋን፡ ኮቪድ-19 ዝምልከት ሓሰት ኣቃሊሕካ ብዝብል ገበን ተኸሲሱ ዝነበረ ኸይኑ፡ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ምስተኣስረ ተፈቲሑ ነይሩ። ንካልኣይ ግዜ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ ተኣሲሩ፡ \"ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ብሓይሊ ንምዕላው\" ብመንገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ተንቀሳቒሱ ዝብል ገበን እዩ ተጠርጢሩ ነይሩ። ያሰው ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ከተማ ኣዋሽ-ሰባት ኪሎ ዝርከብ መሰልጠኒ ፖሊስ ን49 መዓልታት ምስተኣስረ፡ ብዋሕስ ተለቒቑ ነይሩ። ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ደማዊ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ኣትሪሩ ብምቅዋም ዝፍለጥ ሰለሞን ሹምዬ፡ ወናኒን መስራትን 'ገበያኑ ሚዲያ' ኮይኑ፡ ብ12 ግንቦት 2014 ዓ.ም እዩ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ። ሰለሞን ብተመሳሰሊ ህውከትን ናዕብን ብምልዕዓል ዝብል ገበን ክሲ ዝተመስረቶ ኮይኑ፡ 22 ግንቦት 2014 ዓ.ም ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ፡ ፖሊስ ተወሳኺ መርመራ ከካይድ ሸውዓተ ተወሳኺ መዓልታት ተፈቒዱሉ ኣሎ። ሰለሞን፡ 'ሰላም ዝሳኣንና ብምንታይ ምኽንያት'፡ 'ገባሪ ሓዳጊነት' [ውልቀ መላኺነት]፡ 'ናይቲ ኲናት ዓላማ እንታይ እዩ' ፡ 'ክንደይ ሰብ ክመውት ኣለዎ' ዝብሉን ዝመሳሳሉን ተረርቲ መደባት ሰሪሑ ምንባሩ ይዝከር። ሰለሞን ሹምዬ ቅድም ክብል፡ 'ሻህን ቡን' ዝተሰምየ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ዘትኩር መደብ ቴሌቪዥን ብምቕራብ እዩ ዝፍለጥ ነይሩ። አልፋ ቴሌቪዥን ዝተብሃለ ዩቲዩብ ሚዲያ መስራትን ወናኒን እንትኸውን፡ 19 ግንቦት 2014 ዓ.ም ኣብ ቀይዲ ውዒሉ ብጽባሒትኡ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ። እቲ ጋዜጠኛ፡ ህውከትን ናዕብን ብምልዕዓል ዝብል ክሲ ዝተመስረቶ ኾይኑ፡ ፖሊስ መርመራ ከካይድሉ ናይ 12 መዓልታት ተፈቒዱሉ። መንግስቲ ክጽላእን፡ ሃይማኖታዊ ጎንጺ ክለዓልን ይሰርሕ ኣሎ ዝብል ገበን እዩ ብፖሊስ ቀሪብዎ። በቃሉ ቅድም ክብል' ውን ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ስኑዕ ሓበሬታ ብምቅላሕን ናይ መንግስቲ ስም ብምጽላምን ብዝብል ገበን ን16 መዓልታት ተኣሲሩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን፡ አውሎ ሚዲያ ዝተብሃለ ዩቲዩብ ሚዲያ ዝሰርሕ ዝነበረ በቃሉ ደጊሙ ምስ ጋዜጠኛታት ኢትዮ ፎረም አውሎ ሚዲያ ተኣሲሩ ነይሩ። ንሱ'ውን፡ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ከተማ ኣዋሽ-ሰባት ኪሎ ዝርከብ መሰልጠኒ ፖሊስ ን49 መዓልታት ምስተኣስረ፡ 12 ነሐሴ 2013 ዓ.ም ብዋሕስ ተለቒቑ ነይሩ። ካብ ማእሰርቲ ምስ ተፈትሐ፡ ኣልፋ ሚዲያ ዝብል ኣጣይሹ፡ 'ብልጽግና ተኸፋፊሉ እዩ'፣ 'ዘመን ብልጽግና ናይ ጸልማት ዘመን እዩ'፡ 'ስጉምቲ ሓይሊ ጠጠው ክብል ኣለዎ' ገለ ዝብሉ መደባት ሰሪሑ ምንባሩ ይዝከር። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቀይዲ ምስ ዝወዓለ ሓላፊ ጸጥታ ክልል ኣምሓራ ዝነበረ፡ ብርጋዴር ጄኔራል ተፈራ ማሞ 'ምስጢራት'ቲ ጄኔራል' ብዝብል ቀለ መሕትት ኣካይዱ ነይሩ። 18 ግንቦት 2014 ዓ.ም ድማ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። ማኔጂንግ ዳይሬክተርን መስራትን መጽሔት 'ፍትህ' ዝኾነ ተመስገን፡ ገንዘብ ተኸፊልዎ ናዕቢ የለዓዕል ነይሩ ዝብል ክሲ ዝተመስረቶ ኾይኑ፡ 19 ግንቦት 2014 ዓ.ም ናብ መጋብእያ ቀሪቡ ነይሩ። እቲ ጋዜጠኛ፡ ምክልኻል ሃገር ብህዝቢ ክጽላእ ሰሪሑ ዝብል ክሲ'ውን ቀሪብሉ ይርከብ። ተመስገን ደሳለኝ 4 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ስኑዕ ሓበሬታ ኣቃሊሑ ብዝብል ተኣሲሩ ዝነበረ ዀይኑ፡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ተለቒቑ ነይሩ። ቅድሚኡ'ውን፡ ኣብ እዋን ስርዓት ኢህወዴግ፡ ንሰለስተ ዓመት ምስ ተኣስረ ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝዋይ ዝተፈትሐ እዩ። ተመስገን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዀይኑ፡ \"ጊዜ ለኩሉ\" ዝብል መጽሓፍ ጽሒፉ ናብ ዕዳጋ ዘርጊሑ ነይሩ። መስከረም፡ መስራቲት 'ኢትዮ ንቃት' ናይ ዝተብሃለ ዩቲዩብ ሚዲያ ኮይና፡ 13 ግንቦት 2014 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ እያ ኣብ ቀይዲ ውዒላ። ፖሊስ፡ ክልል ኣምሓራ ካብ ፌዴራል መንግስቲ ክንጸል ከምኡ'ውን ፋኖ ኣብ ልዕሊ ፌዴራል መንግስቲ ክዕምጽ ኣለዓዒላ ዝብል ክሲ እዩ ተመስሪትዋ። መስከረም፡ ኣብ ዩኒቨርስታት ሐዋሳን ዲላን ስነ-ዜጋ መምህር ዝነበረት ኮይና፡ ቅድም ሕዚ'ውን፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ብፍላይ \"ኣባይ ሚዲያ\" ን \"የኔታ ቲዩብ\"ን ብዝተብሃሉ ሚዲያታት እዋናውን ፖለቲካውን ትንታነ ብምቕራብ እያ ትፍለጥ። ------------------------ ሮሃ ሚዲያ ዝተሰምየ ዩቲዩብ ሚዲያ መስራቲት ዝኾነት መዓዛ መሓመድ 20 ግንቦት 2014 ዓ.ም ኣብ ቀይዲ ኣትያ። መዓዛ ህውከትን ናዕብን ብምልዕዓል ዝብል ክሲ ዝተመስረታ ዀይና፡ ሰኑይ 22 ግንቦት 2014 ዓ.ም ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ። ቤት ፍርዲ፡ ፖሊስ ሸውዓተ መዓልቲ መርመራ ከካይድ ፈቒድሉ ኣሎ። ቅድም ክብል፡ 2 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም ኣብ ቀይዲ ውዒላ ዝነበረት ኮይና፡ ንሰሙናት ምስ ተኣስረት ተፈቲሓ። ንሳ፡ ቅድም ክብል ኣባይ ብዝተብሃለ ሚድያ ደሓር ድማ፡ ሮሃ ብዝብል ዝፍለጥ ኣጣይሻ፡ ኣብ እዋናውን ፖለቲካውን ጉዳያት ኣትኲራ ትሰርሕ ነይራ። ኣብ ቀረባ እዋን ከሳብ ዝሰርሐቶም መደባት \"ልዕሊ ህወሓት፡ ንብልጽግና እየ ዝጽየፍ' ዝብል ነቐፌታ ይርከቦም። -- ካብዚኣቶም ብተወሳኺ፡ ካልኦት ብፍላይ ድማ ዓሻራን ነስርን ብዝብሉ ዝፍለጡ ናይ ዩቱብ ሚድያታት ወነንትን ጋዜጠኛታት ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ይዝረብ። ኣብ ሲፒጀይ፡ ወዳቢት ጉዳያት ኣፍሪቃ፡ ኣንጀላ ኪውንታል፡ \"መንግስቲ ንነጻነት ፕሬስ ከምኡ'ውን ዜጋታት ካብ ዝተፈላለዩ ኣማራጺታት ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰሎም ከምዘየገድሶ እዩ ዘርኢ\" ኢላ። ንሳ፡ እቶም ጋዜጠኛታት ክሲ ከይተመስረቶም፡ ብህጹጽ ክፍትሑ ሓቲታ ኣላ። መንግስቲ ብወገኑ፡ እቶም ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ዘይኮኑስ ኣብ ዝተፈላለዩ ገበናት ክሳተፉ ዝተትሓዙ እዮም ዝብል መግለጺ ሂቡ ኣሎ። ብሞይኡ ዝተኣሰረ ጋዜጠኛ የለን ድማ ኢሉ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61665293"} {"headline":"ብሰብመዚ ትግራይ ተኣሲሮም ዘለዉ 5 ጋዜጠኛታት ብቕልጡፍ ክፍትሑ ሲፒጄ ሓቲቱ","content":"ትካል ተሓለቕቲ መሰል ጋዜጠኛታት ዝዀነ ሲፒጄ፡ ትማሊ ሮቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰብ መዚ ትግራይ ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ቴለቪዥን ትግራይ ኣሲሮም ምህላዎም ብምግላጽ ብቕልጡፍ ክፍትሑ ሓቲቱ። ሓለፍቲ ክልል ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ንሰራሕተኛታት ተለቬዥን ትግራይ ዝኾኑ ተሾመ ጠማለው፡ ምስግና ስዩም፡ ሓበን ሓለፎም፡ ሃይለሚካኤል ገሰሰ ከምኡ’ውን ዳዊት ሞኮነንን ንዝተባህሉ ጋዜጠኛታት ኣሲረሞም ከምዘለዉ እቲ ትካል ገሊጹ። ቢቢሲ ትግርኛ’ውን ንምእሳር እዞም ጋዜጠኛታት ዝምልከት ኣብ 14 ሰነ 2022 ዜና ሰሪሑ ምንባሩ ይዝከር። ሰብ መዚ ክልል ትግራይ ነቶም ጋዜጠኛታት “ምስ ጸላኢ ተሓባቢሮም” ብምባል ኣብ ከተማ መቐለ ከምዝኣሰርዎም ሲፒጄ ምንጭታቱ ብምጥቃስ ገሊጹ። ንሲፒጄ ምስክርነቶም ዝሃቡ፡ ኣብ ቴለቪዥን ትግራይ ላዕለዋይ ጋዜጤኛ ዝነበረ ኢሳቕ ወልዳይን ምስቶም ጋዜጠኛታት ቅርበት ዘለዎን፡ እቶም ጋዜጠኛታት ምስ መንግስቲ ፌዴራልን ምስ ሰልፊ ብልጽግናን ተሓባቢርኩም ብዝብል ምኽንያት ከምዝተኣሰሩ ይገልጹ። ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተው፡ ምስግና ስዩምን ተሾመ ጠማለውን ምስ'ቲ ትካል ተሌቪዥን ክሰርሑ ዝጸንሑ ዀይኖም፡ ሓበን ሓለፎም፣ ሃይለሚካኤል ገሰሰን ዳዊት መኮነን ድማ፡ ቅድም ኢሉ ‘ብገምጋም’ ተኣጊዶም ከም ዝጸንሑ ጸብጻባት ይሕብሩ። ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ጋዜጠኛታት ሓደ ዝዀነ ሓበን ሓለፎም፡ ኣብ ትግራይ ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር ኣብ ዝቖመሉ እዋን’ውን ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ከምዝነበረ ይፍለጥ። እቶም ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሓምለ’ኳ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም እንተነበሩ፡ እቲ መስርሕን ውሳነን ቤት ፍርዲ ግን ንጹር ከምዘይኮነ ሲፒጄ ገሊጹ። ላዕለወይቲ ሓላፊት ሲፒጄ ኣብ ሃገራት ትሕተ ሳህራ ዝኾነት ሙቶኪ ሙሞ “ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ብዝኾነ ፖለቲካዊ ድፍኢት ግዳያት ክንከውን ኢና ካብ ዝብል ፍርሒ ናጻ ኮይኖም፡ ብናጻ ክሰርሑን ክነብሩን ክፍቀደሎም ኣለዎ” ምባላ ኣብቲ ብሲፒጄ ዝወጽአ መግለጺ ተሓቢሩ። ንሳ ብምስዓብ “እዞም ሓሙሽተ ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ክፍትሑ ኣለዎም፡ ሰብመዚ ትግራይ’ውን ንኣባላት ፕረስ ካብ ምስርጣይን ምእሳርን ደው ከብሉ ኣለዎም ጎኒ ጎኒ እዚ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ’ውን ጋዜጠኛታት ከም ድላዮም ስርሖም ከይሰርሑ ዓጊትዎም ዘሎ ምዕጻው ቴሌኮሙኒኬሽን ናብ ንቡር ክመልስዎ ኣለዎም” ኢላ። ትግራይ ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ጀሚራ ንዝሓለፈ 20 ኣዋርሕ መራኸቢታት ዝርከቦ ህዝባዊ ኣግልግሎታት ተሓሪምዋ ምህላዉ ይፍለጥ። ብክልላዊ መንግስቲ ዝውነን ተለቬዠን ትግራይ፡ መንግስቲ ፌደራልን መሻርኽቲ ሓይልታት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ናይ 2020 ንከተማ መቐለ ምስ ተቖጻጸርዋ ክሳብ ሰነ 2021 በቲ ብመንግስቲ ፌደራል ዝተመዘዘ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ’ዩ ዘመሓድራ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ሓይልታት ትግራይ ዳግማይ ንከተማ መቐለ ምስ ተቖጻጸርዎ እቲ ተመስሪቱ ዝነበረ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣፍሪሰሞ። ኣብ እዋን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ሓበን ሓለፎም ከም ኣቕራቢ መደባትን ላዕለዋይ ጋዜጠኛን፣ ሃይለሚካኤል ገሰሰ ናይ ኦንላይን ኤዲተር፡ ምስግና ስዩም ዳይረክተር ትምህርታዊ መደባት፣ ተሾመ ጠማለው ዳይረክተር ኣገልግሎትን ካልኦት ቋንቋታት ኢትዮጵያን ኮይኖም ይሰርሑ ምንባሮም ሲፒጄ ይጠቅስ። ሓበን፣ ዳዊትን ሃይለሚካኤልን ቅድሚ ምእሳሮም ካብ ስራሕ ደው ከምዝብሉ ተገይሮም ነይሮም’ዮም።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72d60y95l8o"} {"headline":"ናፅነት ሚድያ፡ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝፍፀም ዘሎ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት ከምዘሻቐላ ገሊፃ","content":"መንግስቲ ኣመሪካ ብኹነታት እቲ ሎሚ ቕነ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝፍፀም ዘሎ ዝግለፅ ጃምላዊ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ተጣበቕቲ መሰላትን ከምዝተሻቐለ ሓቢሩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ እታ ሃገር ብፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ሓፂር ሓበሬታ \"በቶም ዝወጽኡ ዘለዉ ፀብፃባት ጃምላዊ ማእሰርቲ ኣሜሪካ ተሻቒላ\" ኢሉ። ማእሰርቲ እቶም ጋዜጠኛታትን ተጣበቕቲ መሰላትን ብጃምላ ይፍጸም ምህላዉ ዘመልክቱ ሓበሬታታት ይዝርግሑ ምህላዎም ዘመልከተ እቲ ኤምባሲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ) ንዝቐረበ ፃውዒት ከምዝድግፍ ገሊፁ'ሎ። \"ፌደራል መንግስቲን ሓይልታት ፀጥታ ክልላትን ግቡእ መስርሕ ክኽተሉን ልዕልና ሕጊ ክኽበርን ብዝብል ነቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ፃውዒት ንድግፍ\" ይብል ሓፂር መግለፂ ኤምባሲ አመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ። መዓዝን ኣበይን ከምኡ ድማ በዓል መን ተኣሲሮም ዝብል ግን ኣብቲ ዘውፅኦ ሓበሬታ ኣየነፀረን። ኢሰመኮ እንታይ ኢሉ ነይሩ? ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዙሓት ጋዜጠኛታትን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያን ብዘይትእዛዝ ቤት ፍርዲ ከምዝተኣሰሩ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር። እቶም ተታሒዞም ዝበሎም ጋዜጠኛታትን ነጠፍቲን ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡን ምስ ቤተሰቦም ክራኸቡ ዘይተፈቐደሎም ከምዘለዉን ኣብቲ ብቕድሚ ትማሊ [14 ጉንበት 2014 ዓ.ም] ዘውፅኦ መግለፂ ኣመልኪቱ። በቲ ሓይልታት ፌደራልን ናይ ክልል ፀጥታን \"ዝተዋደደ ወፍሪ ምኽባር ልዕልና ሕጊ\" ዝበልዎ ስጉምቲ፡ ጋዜጠኛታትን ነጠፍቲን ዝርከብዎም ብዙሓት ሰባት ከምዝተኣሰሩ ድማ ሓቢሩ። \"ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዙሓት ሰባት ካብ ዝነብሩሉ ከባቢ ርሒቖምን ስሩዓት ኣብያተ ማእሰርቲ ኣብዘይኮኑ ቦታታትን ስለዝተኣሰሩን ቤት ፍርዲ ስለዘይቀረቡን ቤተሰቦም ኣይረኸብዎምን\" ክብል'ውን ኣፍሊጡ። ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብምቕራብ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምንቃፍ እትፍለጥ መስከረም ኣበራ ድማ ብ13 ግንቦት 2013 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀይዲ ምውዓላ በዓልገዝኣ ንቢቢሲ ኣረጋጊፁ'ሎ። ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐን ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተላብዐን ኲናት ብምቅዋም፤ ሰላምን ድርድርን ዝሓሹ ኣማራፅታት ከምዝኾኑ ብተደጋጋሚ ብምሕባር ዝፍለጥ ጋዜጠኛ ሰሎሞን ሽሙዬ'ውን ከምዝተኣሰረ ይግለፅ። \"ወፍሪ ምኽባር ሕጊ\" ኣቶ ደሳለኝ \"ነቲ ትኽክለኛ ፋኖ ዘይውክሉ ብስም ፋኖ ተወዲቦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘይሕጋዊ ተግባራት ዝፍፅሙ ጉጅለታት መንግስቲ ኣይክዕገሶምን\" ኢሉ። ብሰንኪ እቶም \"ንዓቕሚ መንግስትን ሕገ-መንግስትን ብምፍትታን ስርዓት ኣልቦነት ክነገስ ጌሮም\" ዝተብሃሉ ውልቀሰባት፡ መንግስቲ ንዜጋታት ናይ ምንባር መሰሎም ከምኡ ድማ ሰላምን ልምዓትን ከረጋግጽ ከምዝተፀገመ'ውን ተዛሪቡ'ሎ። መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢድ ውልቀሰባት ዝርከቡ ዓይነታት ኣፅዋር ምዝገባ ከካይድ ምዃኑ ብምሕባር \"ወፍሪ ምኽባር ሕጊ\" ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር። ብፍላይ ኣብ ብዙሕ ከባብታት ብስም እቲ \"ፋኖ\" ብዝብል ዝተወደበ ዘይስሩዕ ጉጅለ ዕጡቓት፡ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ኣብ ልዕሊ ዝገብሩ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣጠንቂቑ ነይሩ። እቲ \"ወፍሪ ምኽባር ሕጊ\" ዝተብሃለ ስጉምቲ ምጅማሩ ስዒቡ ድማ ኣብ መዛዘሚ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝተወልዑ ጎንፅታት ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት ከምዝበጽሐ ነበርትን ምንጪታት ሆስፒታልን ንቢቢሲ ተዛሪቦም'ዮም።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61570121"} {"headline":"ኢሎን መስክ፡ ንልሉያት ['ብሉ ቲክ' ዘለዎም] ዓማዊል ትዊተር  ወርሓዊ 8 ዶላር ከኽፍሎም’ዩ","content":"ኢሎን መስክ ኣብ ጥቃ ስሞም ሰመያዊ ዝሕብሩ ምልክት [‘ብሉ ቲክ’] ዝግበረሎም ተጠቀምቲ ትዊተር ንወርሒ 8 ዶላር ክኸፍሉ ምዃኖም ገሊጹ። ኣብ ጎኒ ስሞም ብሰማያዊ ሕብሪ ምልክት ዝግበረሎም ተጠቀምቲ ትዊተር፡ እቲ ገፅ ናይ ብሓቂ ናቶም ምዃኑ ካብ ትዊተር ዝውሃቦም ምስክርነት እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንትዊተር ብ44 ቢልዮን ዶላር ዝዓደጎ ኢሎን መስክ፡ እዚ ውሳነ ኣካል እቲ ንሱ ዘተኣታትዎ ዘሎ ሓድሽ ለውጢ ከምዝኾነ  ብምሕባር “ኣብ ትዊተር ዝግበር ምድንጋራት በዚ ጥራይ ኢና ክንስዕሮ ንኽእል” ኢሉ። ትዊተር ኣብ ጥቃ ስሞም ብሰማያዊ ሕብሪ ምልክት ዝገብረሎም ሰባት፡ ኣዝዮም ፍሉጣት፡ ፖሎቲከኛታትን  ጋዜጠኛታትን ምዃኖም ይፍለጥ። ቅድሚ ሕጂ ነዚ ምልክት ብነጻ’ዩ ዝገብሮ ነይሩ። ካብ ዓለምና ዝሃብተመ ኢሎን መስክ፡ ኣብ ጎኒ ስሞም ሰማያዊ ሕብሪ ዝግበረሎም ሰባት፡ ኣብ ተጠቃምነትን መልሲ ኣብ ምርካብን ቀዳምነት ከምዝህልዎምን፡ ካብቲ ኣብ ትዊተር ዝግብር መወዓዊዒታት ፍርቂ ጥራይ ከምዝመጽኦም ገሊጹ። ኢሎን መስክ እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ኣሰራርሓ ናይ ትዊተር ‘ናይ ጊላን ጎይታን’ ከምዝነበረ ብምሕባር “ሓይሊ ንህዝቢ፡ ሰመያዊ ምልክት ንምርካብ 8 ዶላር ንወርሒ” ዝብል ጽሑፍ ኣብ ትዊተሩ ጽሒፉ። ትዊተር በቲ ቅድሚ ሕጂ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ኣገባብ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ጎኒ ስሙ ብሰማያዊ ሕብሪ ምልክት ክግበረሉ እንተኾይኑ፡ ‘ብኦንላይን’ የመልክት” ብድሕሪ እዚ ትዊተር ምጽራይ ብምግባር ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲ ፍሉጥ ንዝኾነ ሰብ፡ ፖሎቲከኛ ወይ ጋዜጠኛ ምስ ዝኸውን ኣብ ጎኒ ስሙ ብሰማያዊ ሕብሪ ምልክት ይግበረሉ ነይሩ። እዚ ኸኣ ካልእ ሰብ በቲ ናይ ፍሉጥ ሰብ ስም ናይ ትዊተር ‘ኣካውን’ ኣውጸኡ ነቲ ውልቀ ሰብ ዝጎድእ ሓበሬታታት ከየመሓላልፍ ንምግታእ ዝዓለመ’ዩ ነይሩ። ትዊተር ነዚ ኣገባብ ኣብ 2009 እዩ ኣተኣታትይዎ። እንተኾነ ኢሎን መስክ ሃንደበት ክፍሊት ምሕታቱ ካብ ብዙሓት ተቃውሞታት ኣስዒብሉ ኣሎ። ጀነራል ሞተርስ ዝርከቦም ሓያለ ትካላት’ውን ምስ ትዊተር ዝነበሮም ናይ ምውዕዋዕ ውዕል ደው ኣቢሎም ኣለዉ። ብሰኑይ፡ ኣብ ዓለምና ዓበይቲ ካብ ዝብሃሉ ናይ ምውዕዋዕ ትካላት ዝኾነ ኣይፒጂ፡ ዓማዊሉ ንዝመጽእ ሳምንታት ትካላቶም ኣብ ትዊተር ካብ ምውዕዋዕ ደው ከብሉ ማዕዳኡ ምልጋሱ ዝዝክር’ዩ። ቅድሚ ክልተ መዓልታት ኣቢሉ፡ እቶም ኣብ ጎኒ ስሞም ብሰማያዊ ሕብሪ ‘ምልክት’ ዝግበረሎም ዓማዊል ትዊተር፡ ንወርሒ 20 ዶላር ክኸፍሉ’ዮም ዝብል ሓበሬታ ተዘርጊሑ’ኳ እንተነበረ፡ እዚ 20 ዶላር ዝብል ሓበሬታ፡ ነቲ 8 ዶላር ቅቡል ንምግባሩ ተዓሊሙ ዝተዘርግሐ ከምዝኾነ ዝገልጹ’ውን ኣይተሳኣኑን። ፍሉጥ ደራሲ ስተፌን ኪንግ ትዊተር ንዝሰለዖ ወርሓዊ ክፍሊት ኣመልኪቱ “ትዊተር’ምበር ንዓይ ክኸፍለኒ ኣለዎ” ኢሉ ድሕሪ ምጽሓፉ፡ ብዙሓት ንሓሳብ ስተፌን ኪንግ ክቐባበልሉ ጀሚሮም። ኢሎም መስክ ብወገኑ ንስቴፈን ኪንግ “በዚ ኢልካ በቲ ምኽፋል ኣይክተርፍን’ዩ” ኢሉ መልሲ ሂብዎ ኣሎ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1lpykv1n7o"} {"headline":"መስከረም ኣበራ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ኣትያ","content":"መስራቲትን ዋናን “ኢትዮ ንቃት” ዝተባህለ ሚድያ ዩትዩብ፡ ሰሉስ 4 ታሕሳስ 2015 [ግእዝ]፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ፈደራል ከምዝኣተወት በዓል ቤታ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ንመንግስቲ ብምንቃፍን ብምቅዋምን እትፍለጥ መስከረም፡ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ '22' ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ፡ ብሓባር ኣብ ዝነበሩሉ ናይ ሲቪልን ፖሊስ ፈደራልን ዝተኸድኑ ሰባት ከምዝወሰድዋ በዓል ቤታ ኣቶ ፍጹም ገብረሚካኤል ገሊጹ። መስከረም መንነት እቶም ውልቀ ሰባት ምስ ሓተተት ኣባላት ፖሊስ ፈደራል ምዃኖም ከምዝገለጹላ ዝሕብር በዓል ቤታ፡ ሜክሲኮ ከባቢ ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ምርመራ ገበን ፖሊስ ፈደራል፡ ብመኪና ከምዝወሰድዋ ኣፍሊጡ። ኣቶ ፍጹም፡ ናብቲ በዓልቲ ቤቱ ዝተኣሰረትሉ ኣብ ከባቢ ሜክሲኮ ዝርከብ ምርመራ ገበን ፈደራል ከይዱ ከምዝረኸባን ብምንታይ ገበን ተጠርጢራ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወት ከምዘይትፈልጥ ከምዝነገረቶን እውን ወሲኹ ሓቢሩ። ቢቢሲ፡ መስከረም ንምንታይ ከምዝተኣሰረት ካብ ፖሊስ ፈደራል ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን። ንመንግስታት ክልልን ፈደራልን ብምንቃፍ እትፍለጥ መስከረም፡ ኣብ ቀይዲ ክትኣቱ ንፈለማ ግዜ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግንቦት 2014 ዓ\/ም ተኣሲራ ከም ዝነበረትን ብ 30 ሽሕ ብር ዋሕስ ከምዝተፈተሐትን ኣቶ ፍጹም ኣዘኻኺሩ። ቅድም ክብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ መምህር ዝነበረት መስከረም ኣበራ፡ ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ግንቦት ህዝባዊ ናዕቢ ብምልዕዓል ተኸሲሳ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ ነይራ። ንሳ ስራሕ መምህርነት ገዲፋ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ስርሓት ሚድያ ከምዝተዋፈረት በዓል ቤታ ኣቶ ፍጹም ገብረሚካኤል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c6p61kl40p6o"} {"headline":"ቲፒኤም፡ ኣብ ትግራይ ከቕርቦ ዝሕልን ዘሎ ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርነትን እንታይ እዩ?","content":"ኣብ ወጻኢ ሃገር ብዝነብሩ ተጋሩ ዝተመስረተ ትካል ሚዲያ፡ 'ህዝባዊ ሜድያ ትግራይ' (ትግራይ ፓብሊክ ሚድያ - ቲፒኤም)፡ ካብዚ ቀረባ ግዜ ኣትሒዙ ነዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ምድስካል መራኸቢታት ንምፍታሕ ክንቀሳቐስ ጸኒሑ'ሎ። ፕረዚደንት ቦርድ እዚ ትካል ኣቶ ብሩኽ ረዳ፡ ብዛዕባ'ዚ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቓል፡ እዚ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ክትግበር ተወጢኑ ዘሎ ስርሓት፡ \"ፓይለት (መርኣያ) ፕሮግራም\" ምዃኑ ይገልጽ። ዝወሃብ ኣገልግሎት ናብ ሰፊሕ ህዝቢ ተበጻሒ ምእንቲ ክኸውን ድማ፡ \"ኣብ ሓደ መዓልቲ 1000 ሰባት ንሓሙሽተ ደቓይቕ ጥራይ እዩ ከገልግል፡\" ብምባል፡ ዝያዳ ብከም ዋትስኣፕ፡ ቴሌግራም፡ ሲግናል፡ ቫይበር፡ መሰንጀርን ካልኦት መደወሊ መተግበሪታትን ኣቢሉ ብድምጽን ጽሑፍን መልእኽቲ ምስግጋር ከኽእል እዩ ኢሉ። ኣብ ርእሲኡ፡ 'ጐግል ሞባይል ኦፍላይን' ዝበሃል ኣገልግሎት ንምሃብ'ውን፡ 10 ተሌፎናት ተዳልየን ምህላወን ኣቶ ብሩኽ ገሊጹ'ሎ። ብተወሳኺ፡ እዚ ኣገልግሎት ናብ ህዝቢ ምእንቲ ክበጽሕ ክሰርሑ ዝተዳለዉ፡ \"200 ወለንታውያን ሰባት ኣለዉ\" ክብል ተዛሪቡ። እዚ ኣገልግሎት ብዘይዝዀነ ክፍሊት ክወሃብ ዝኽእል ምዃኑን፡ ተገልገልቲ ናይቲ ክድውሉሉ ዝደለዩ ሰብ ተሌፎን ሒዞም ክቐርቡ ጥራይ ከም ዝድለ ኸኣ፡ ኣቶ ብሩኽ የብርህ። እዚ ክወሃብ ዝሕለን ዘሎ ኣገልግሎት ሸፈነኡ ክሳብ ክንደይ ዝዝርጋሕ እዩ? ነቲ ተገይሩ ዘሎ ምብታኽ ኣገልግሎት ርክባት ከ ጸላቒ ፍታሕ ከምጽኣሉ'ዶ ይኸውን? ዝብል መሰረታዊ ሕቶ እዩ። ብዛዕባ'ዚ ኣቶ ብሩኽ ክምልስ እንከሎ፡ እዚ መደብ ንግዚኡ ኣብ መቐለ ጥራይ ከም ዝጅምር እዩ ዝገልጽ። \"ምኽንያቱ መቐለ ከተማ እዩ፡ ንዅሉ ነገር ከኣ ቀረባ እዩ፣ ስለዚ ኣብኡ ኢና ክንጅምሮ፡\" ድሕሪ ምባል፡ እቲ ኣብኡ ዝግበር ስርሓትን ዝወሃብ ኣገልግሎታትን ዕዉት ምስ ዝኸውን፡ \"ህዝብን መንግስትን ምስ ረኣይዎ፡\" ናብ ካልኦት ከባቢታት ክዝርጋሕ ምዃኑ ኣብሪሁ። ብመሰረት ሓበሬታ ኣቶ ብሩኽ፡ እዚ ኣገልግሎት ኣብ ዝሓለፈ ግዜ በዓል ትንሳኤ ክጅምር መደብ'ኳ እንተነበረ፡ ብመንግስቲ ክልል ትግራይ ክወሃብ ዝግባኦ ዝነበረ ምላሽ ዛጊት ስለ ዘይተዋህበ፡ እቲ ስራሕ ተደናጕዩ'ሎ። \"ዶክተር ደብረጽዮን 'ጽቡቕ ሓሳብ እዩ፣ ግን ክንክልሶ ኢና' ኢሉና ነይሩ። እንተዀነ ዳርጋ ወርሒ ኰይኑ ኣሎ። ስለዚ ብቕልጡፍ ሓደ መዕለቢ ክወሃቦ ይግባእ።\" ትካል ቲፒኤም ነዚ ኣገልግሎት ንምሃብ ንወርሒ 12 ሽሕ ዶላር ወጻኢታት ከም ዝገብር ኣፍሊጡ ነይሩ። ኣቶ ብሩኽ ረዳ፡ \"እዚ መደብ መርኣያ ስለዝዀነ፡ ጉዳይ ፋይናንስ ንግዚኡ ብኣባላት ቦርድ ቲፒኤምን ካልኦት ግዱሳት ተጋሩን፡\" ብዘዋጽእዎ ገንዘብ ክሽፈን ምዃኑ የረድእ። ኣቐዲምካ ዝከኣል ምዃኑ ከተርኢ ከም ዝግባእ ድማ ይምጕት። ንቐጻልነቱ ኣብ ዝምልከት ነጥቢ ግን፡ \"ብጎ ፋንድ ሚን፡ ዶነር ቦክስን ዝዘርጋሕናዮ መተኣኻኸቢ እቶት ኣሎ፣ ስለዚ ኣብ ወጻኢ ብዘሎ ትግራዋይ ዝምወል እዩ ክኸውን፡\" ይብል። ኣቶ ብሩኽ ብኣብነት እንከረድእ፡ 200 ሰባት ነፍስወከፎም 50 ዶላር ከዋጽኡ እንተኽኢሎም፡ ኣብ ወርሒ 10 ሽሕ ዶላር ምእካብ ይከኣል። \"ስለዚ፡ ኣብዚ ፈለማ ብ 200 ሰባት ዝሽፈን መደብ ኢና ኣበጊስና ዘለና፡\" ይብል። ኣብ ቀጻሊ እቲ ኣገልግሎት እናሰፍሐ ምስ ከደ ግን፡ ብማዕረኡ እቲ ዝዋጻእ ገንዘብ ክዓቢ ምዃኑ እምነቱ ይገልጽ። ኣተሓሒዙ ኣቶ ብሩኽ፡ \"ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ኣገልግሎት ሳትላይት ኢንተርነት ምስ ዝህብ ትካል ኢና ውዕል ኣቲና ዘለና\" ይብል። እዚ ስሩዕ ኣገልግሎት ኢንተርነትን ተሌፎንን ኣብ ዘይብሉ ከባቢ ዝተለመደ ኣገልግሎት ምዃኑ፡ አቶ ብሩኽ ድሕሪ ምብራህ፡ \"ኣብ ሶማሌ ብቪሳት እዮም ኣገልግሎት ተሌፎን ዝረኽቡ፣ ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ዝህብ ትካል ቀይሕ መስቀል'ውን ቪሳት እዩ ዝጥቀም፡\" ብምባል \"ይከኣል እዩ\" ዝብል ምጕት ሒዙ፡ ኣቶ ብሩኽ ብኣብነት የረድእ። ስለዚ፡ ቲፒኤም ምስ 'ቪሳት' ዝበሃል ትካል ሳትላይት ውዕል ኣትዩ፡ \"ኢንተርነት ኢና ንዕድግ ዘለና፡\" ይብል። እንተዀነ፡ እዚ ንቴሌኮምኒኬሽን ዝትክእ ወይ ድማ ንመላእ ትግራይ ብኢንተርነት ዝሽፍን ኣይኰነን። እቲ ኣብዚ እዋን ብቐይሕ መስቀል ዝወሃብ ዘሎ ኣገልግሎት ሪጋ ዝበዝሖን፡ ክሳብ \"ኣላማጣን ቆቦን እናመጽኡ ክድውሉ ዝበጽሖም ዘሎ ገልታዕታዕ፡ ክትራንን ካልኦት ብዙሕ ጸገማትን፡\" ንምውጋድ፡ ካብ ዕላማታት እዚ ተበግሶ ምዃኑ፡ ኣቶ ብሩኽ የረድእ። ሕጋውነትን ድሕነት መጥቃዕቲታት ሳይበርን እዚ ኣገልግሎት፡ ሓደ ካብቲ ትዅረት ዝወሃቦ ዛዕባ እዩ። ኣቶ ብሩኽ፡ ብቐንዱ ንመንግስቲ ትግራይ ፍቓድ ዝሕተት ዘሎ፡ ነቲ ኣገልግሎት ሕጋውነት ንምልባስ ምዃኑ የነጽር። ምስ ድሕነት ሳይበር ዝተኣሳሰር ጕዳይ ከኣ እቲ ሓላፍነት ንመንግስቲ ትግራይ ከም ዝተዋህበ የረድእ። \"እቲ ዝግበር ኮሚዩኒኬሽን ኵሉ መንግስቲ ባዕሉ ዝቈጻጸሮ እዩ፣ ዝዀነ ስግኣት እንተ ተፈጢሩ ድማ ከቋርጾ ይኽእል እዩ\" ድሕሪ ምባል፡ ከምዚ ዓይነት ስግኣት ክመጽእ እዩ ተባሂሉ፡ እቲ ስራሕ ገና ብግስ እንከይበለ፡ \"ኣብ ናፍቘትን ስነልቦናዊ ማህሰይትን ዘሎ ህዝቢ፡ መራኸቢታት ክኽልከል ኣይግባእን\" ኢሉ። ኣቶ ብሩኽ፡ ነቲ ዝቕሰም ተመኵሮ ምርኵስ ብምግባር፡ ትካላት ግብረ ሰናይ ይዅና መንግስቲ ትግራይ'ውን ንባዕሉ፡ ነቲ ኣገልግሎት ከዕብዮን ከስፍሖን ከም ዝኽእል የዘኻኽር። በዚ መሰረት፡ መንግስቲ ትግራይ ቀልጢፉ ከፍቅደሎምን፣ ህዝቢ ትግራይ'ውን ኣብ ጐድኖም ኰይኑ ብግብሪ ነቲ ውጥንን ዝወሃብ ኣገልግሎትን ክርእዮን ዕድል ክወሃቦምን ይላቦ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/61416576"} {"headline":"ኵናት ዩክረይን፡ ቢቢሲ ኣብ ሩስያ ንዝሰርሑ ጋዜጠኛታቱ ብግዝያውነት ኣጊዱ","content":"ቢቢሲ፡ ሩስያ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ሩስያ ስኑዕ ዜና ንዘላብዕ ዝኾነ ኣካል ከምእትኣስር ሓድሽ ሕጊ ምውፅኣ ስዒቡ፡ ኣብ ሩስያ ንዝሰርሑ ጋዜጠኛታቱ ብግዝያውነት ከምዝኣገደ ኣፍሊጡ።። ዳይሬክተር ጀነራል ቢቢሲ ቲም ዴቪ፡ እዚ ሕጊ “መስርሕ ዘይሻራዊ ጋዜጠኝነት ንምውንጃል ዝወፅአ’ዩ” ኢሉ። እቲ ክሬምሊን ዝኸፈተቶ ጎንፂ ኣብ ክንዲ ‘ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት’ ኵናት ተባሂሉ’ዩ ዝፅዋዕ” ኢሉ እቲ ዳይሬክተር። ቢቢሲ ኒውስ ኣብ ሩስያ ካብታ ሃገር ወፃኢ ኮይኑ ምፅብፃቡ ከምዝቕፅል ድማ ሓቢሩ። ተበፃሕነት ዌብሳይት ቢቢሲ ኣብ ሩስያ ዝተገትአ እንትኾን፡ ከም ደቸወሌ፣ መዱዛን ራድዮ ሊበሪቲን ኣገልግሎተን ከምዝተደረተ መራኸቢ ሓፋሽ እታ ሃገር RIA ኣቃሊሑ። ኣብቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ድሕሪ ሰዓት ድማ መራኸቢ ሓፋሽ ካናዳ CBSን ቡልምበርግን ካብ ሩስያ ከይፅብፅባ ብግዝያውነት ተኣጊደን’የን። ማዕኸን ዜና ሲኤንኤን’ውን ካብ ሩስያ ምፅብፃብ ከምዘቋርፅ ኣፍሊጡ። ትማሊ ቀዳም ድማ መራኸብቲ ሓፋሽ ጀርመን ኤኣርዲን (ARD) ን ዜድዲኤፍን (ZDF) ከምኡ’ውን ማዕኸን ዜና Raiን ካብ ሩስያ ምፅብፃብ ከምዘቋረፃ ገሊፀን። ነቲ ብሰብመዚ ሩስያ ዝተደንገገ ሕጊ ምላሽ ዝሃበ ጀነራል ዳይሬተር ቢቢሲ ዴቪ፡ “ ብሰንኪ እዚ ሕማቕ ምዕባለ፡ ስራሕ ኣብ ሩስያ ናይ ዝነበሩ ኩሎም ጋዜጠኛታት ቢቢሲን ሓገዝቲ ሰራሕተኛታትን ብግዝያውነት ክነቋርፅ ተገዲድና” ኢሉ። “ቢቢሲ ኒውስ ሩስያ፡ ካብ ሩስያ ወፃኢ ኮይኑ ምስራሕ ክቕፅል እዩ። ድሕነት ኣባላትና ልዕሊ ኩሉ’ዩ። ስረሖም ስለዝሰርሑ ንገበናዊ ክሲ ክነቃልዖም ድሉዋት ኣይኮናን። ኩሎም ኣባላትና ንዘርአይዎ ትብዓት፣ ቆራፅነትን ሞያን ከሞግሶም እደሊ” ኢሉ፡ ቲም ዴቪ። ኣገልግሎት ዜናታትና ንዝጥቀሙ ሚልየናት ሩስያውያን ሓዊሱ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ተኸታተልቲ፡ ቅኑዕን ዘይሻራዊን ሓበሬታ ምቕራብና ክንቅፅል ኢና ዝበለ እቲ ዳይሬክተር፡ “ኣብ ዩክረይንን ኣብ መላእ ዓለምን ዝርከቡ ጋዜጠኛታትና ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝተፈፀመ ወራር ምፅብፃቦም ክቕፅሉ’ዮም” ክብል ተዛሪቡ። ሓደ ሩስያዊ ዘይሻራዊ መራኸቢ ሓፋሽ ማዕኸን ተሌቬዥን ረይን (TV Rain) ብዛዕባ እቲ ወራር ከይፅብፅብ ኣብ ፀቕጢ ምጥሓሉ ስዒቡ’ዩ፡ ማዕኸናት ዜና ዓለም ነዚ ስጉምቲ ዝወስዳ ዘለዋ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60637361"} {"headline":"ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ኢትዮጵያ፡ ንናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ይጸልዎዶ ይህሉ?","content":"ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ ዝተኣወጀ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ፡ ንጸብጻባት ማዕከናት ዜና ዝምልከቱ ዓንቀጻት ብምሓዝ እዩ ካብ 23 ጥቅምቲ 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ጀሚሩ ግብራዊ ኮይኑ። ንሽድሽተ ኣዋርሕ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ዝጸንዕ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ፡ ኣብ ዓንቀጽ 4 ንኡስ ቁጽሪ 10 ብዛዕባ መራኸቢ ብዙሃንን ጋዜጠኛታትን ኣስፊሩ’ሎ። ነቲ ኣዋጅ ዘፈጽም ኣካል “ብቐጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ነቶም ‘ኣሸበርቲ’ ዝተባሃሉ ጉጅለታት ሞራላዊ ይገብር’ዩ ዝበሎ ማዕኸን ዜና ወይ ጋዜጠኛ ብዝምልከቶ በዓልመዚ ክእገድ ወይ ፍቓዱ ክስረዝ ትእዛዝ ክህብ ይኽእል” ክብል ይድንግግ። ብተወሳኺ ድማ ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ዝተኸልከሉ ነገራት ኣብ ቁጽሪ ሽድሽተ ዘርዚርዎም ይርከብ። “ንምንቅስቓስ እዚ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ከምኡ’ውን ንዕላማ እቲ ኣዋጅ ዝቃወምን ንዕላማ 'ኣሸበርቲ' ጉጅለታት ኣበርክቶ ዝገብር፤ ንጉጅለታት ሽበራ ዘተባብዕ፤ ንሰላማውያን ዜጋታት ዘሸብር ዘረባ ብዝኾነ ይኹን ኣማራጺ ምዝራብ ኮነ ክፍኖ ምግባር ዝተኸልከለ እዩ” ይብል። እዚ ከኣ እቲ ተደንጊጉ ዘሎ ሓሳብካ ብናጽነት ናይ ምግላጽ ናጽነት ካብ ማዕኸናት ዜና ሓሊፉ ንዜጋታት እውን ከምዝምልከት የነጽር። ብርግጽ እዚ ናይ ዲጂታል እዋን ንተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ሓበሬታ ካብ ምቕባል ብዝሰገረ ሓበሬታ ናብ ምዝርጋሕ ከምዘሰጋገሮም ይፍለጥ። እሞ ደኣ ነዞም ብማሕበራዊ መራኸብታት ሓበሬታ ዝዝርግሑ ኣካላትከ ልክዕ ከም ማዕኸናት ዜና ብሕጊ ተሓተትቲ ምግባር ዝከኣል ስራሕ’ዶ ይኸውን? እዚ ሕቶ ንሙሁር ሕገ-መንግስቲ ኣደም ካሴ (ዶ\/ር) ኣቕሪብናሉ። ንሱ፡ ካብ መጀምርትኡ’ውን ሕጊ ክወጽእ ከሎ ንኹሎም ተግባራት መሊእኻ ክትቆጻጸሮ ትኽእል ኢኻ ካብ ዝብል ሓሳብ ከምዘይኮነን ኣብዚ ናይ ዲጂታል እዋን ከኣ ሙሉእ ቁጽጽር ምክያድ ከምዘይከኣልን ይዛረብ። “ሓሳብካ ብናጽነት ናይ ምግላጽ መሰል ብደረጃ ዓለም’ውን ገደብ ክገብረሎም ካብ ሞንጎ ዝኽእሉ መሰላት እቲ ሓደ እዩ። ስለዚ ሕዚ [ኣብ ኢትዮጵያ] ገደብ ምውጽኡ ሓድሽ ነገር ኣይኮነን” ዝብል እቲ በዓል ሞያ ሕገ-መንግስቲ፡ እዚ ገደብ ተፈጻሚ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ንዝፍጠሩ ቅርታታት ብግቡእ ዘተኣናግድ ስርዓተ-ሕጊ ምድላው ኣገዳሲ ከምዝኾነ የረድእ። ዝኾነ ይኹን ኣካል ዳኝነት፡ እቲ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ክሳብ ዝለዓል ኣብ ዘሎ እዋን ኣብቲ አዋጅ ኣብ ዝሰፈሩ ጉዳያት ስልጣን ከምዘይህልዎ ተነጺሩ’ሎ። ኣደም ከምዝብሎ ድማ እቶም ኣብ ልዕሊ መራኸቢ ብዙሃን ዝውሰዱ ስጉምቲታት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዘሕድርዎ ፍርሒ ብቐሊሉ ዝግለጽ ኣይኮነን። “ከምዚ ዝበለ ፍርሒ፡ ሰብ ሞያ ሚድያ ስርሖም ብግቡእ ከይፍጽሙ ከምኡ’ውን ‘እዚ ነገር ከቕጽዓኒ ይኸውን’ዶ?’ ብዝብል ስግኣት ናብ ሕብረተሰብ ክበጽሕ ዝግብኦ ሓበሬታ ከየብጽሑ ዝገብር’ዩ” ይብል። ኣዋጅን ኣፈጻጽምኡን ዝፈጠርዎም ስግኣታት ጸሓፊ ማሕበር መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያ ሲሳይ ሳህሉ ገለ ስግኣታት ይፍጠሩ ምህላዎምን እዚ ከኣ ብፍላይ በቶም ነቲ ኣዋጅ ዘፈጽሙ ኣካላት ምዕሩይ ዝኾነ ኣፈጻጽማ ካብ ዘይምህላዉ ዝነቅል ከምዝኾነ ይገልጽ። “ሃገር ኣብ ሓደጋ ከምዘላ ንግንዘብ ኢና። እንተኾነ ጋዜጠኛታት ንሕብረተሰብ ግቡእ ሓበሬታ ናይ ምቕራብ ስርሖም ከፈጽሙ ኣለዎም” ዝብል ሲሳይ፡ ብውልቁ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጸብጻብ ንምድላው ኣብ ዝወፈረሉ እዋን ንኽልተ ሰዓታት ዝኣክል ንሱን መሳርሕቱን ብኣካላት ጸጥታ ከምዝተትሓዙ ተዛሪቡ። “ባጅ [ፍሉይ ናይ ፍቓድ ወረቐት] ኣምጽኡ ይብሉና ነይሮም። መለለዪ ወረቐት ምስኣርኣናዮም ‘ኣብዚ እዋን ብዘይባጅ ክትሰርሑ ኣይትኽእሉን’ ኢሎምና። እዚ ከኣ እቲ ጋዜጠኛ ተስፋ ንክቖርጽ’ዩ ዝገብር” ዝብል ሲሳይ እዚ ድማ ኣብቲ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ዘይተቐመጡ ነገራት እውን ንኽሕተቱ ዝገብርን ጸገም ግንዛበ ከምዘሎ ዘመልክትን ከምዝኾነ የረድእ። ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሳህራ ወኪል ተጣባቒት መሰላት ጋዜጠኛታት - ሲፒጄ - ዝኾነ ሙቱኪ ሙሞ፡ እቲ ኣዋጅን ንዕኡ ስዒቡ ብኣፈጻሚ እዚ ዝወጸአ መግለጺን መሰረታዊ ጸገማት ከምዘለዎም ትነቅፍ። ነቲ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ መሰረት ብምግባር፡ ሰበስልጣን ብዘይገደብ ንሰባት ክኣስሩ ስልጣን ምሃቡን ብቐጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ‘ንኣሸበርቲ ጉጅለታት’ ይድግፉ ናይ ዝባሃሉ ትካላት ሚድያ ፍቓድ ክሳብ ምስራዝ ዝበጽሕ ስጉምቲ ንኽውሰድ ዘፍቅድ ምዃኑን፡ ንሲፒጄ ብመንጽር ናጽነት መራኸቢ ብዙሃን ከምዘሻቕሎ’ያ ትገልጽ። ንኣፈጻጽማ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ዝከታተል እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጽኦ መምርሒ፡ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝምልከቱ ጸብጻባት ካብ ዝምልከቶም ሰበስልጣን እንተዘይመጺኡ ክዝርግሑ ከምዘይብሎም ኣጊዱ’ዩ ኢሉ ከምዝኣምን እውን ወኪል ሲፒጄ ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሳህራ ትዛረብ። እዞም ድንጋገታት ንዝተፈላለየ ትርጉም ዝተቓልዑን ንጹር ዘይምዃኖምን ዘተሓሳስብ’ዩ ዝበለት ሙቱኪ፡ “ንኣብነት ‘ብተዘዋዋሪ ናይ ሞራል ድጋፍ ምግባር’ ማለት እንታይ ማለት’ዩ? ‘ኣካላት ጸጥታ ስጉምቲ ውሰዱ’ ክበሃል ከሎ እንታይ ንምባል’ዩ? እሰሩ ማለት’ዶ ይኸውን? ወይስ ንብረት ውረሱ? ወይ ፍቓዶም ሰርዙ? እዚ ብንጹር ዝተቐመጠ ኣይኮነን። ስዒቡ ዝወጽኣ መግለጺ’ውን ዋላ’ኳ መንግስቲ ናይ ሚድያ እገዳ ኣይኮነን እንተበለ ጸብጻባት ምድላው ግን ዝእግድ እዩ” ክትብል ተረድእ። ጸሓፊ ማሕበር ጋዜጠኛታት ሲሳይ፡ ነቲ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ስዒቡ ኣብ ዋሕዚ ሓበሬታ ብድሆ ከምዘጋጠመ ብምሕባር “እዚ ከኣ ሓበሬታ ካብ ሓደ መንግስታዊ ኣካል ናብ ካልእ ናይ መንግስቲ ሚድያ ጥራሕ ንኽውሕዝ ጌሩሎ” ክብል ይዛረብ። እዚ ከኣ ብፍላይ ኣብ ናይ ብሕቲ (ውልቀ) ሚድያታት ጽዕንቶ ከምዘሕደረን ሹመኛታት መንግስቲ’ውን ሓበሬታ ንምሃብ ከድሐርሕሩ ከምዝገበረን ጠቒሱ። ድሕነት ጋዜጠኛታት ንምውሓስ ጸሓፊ ማሕበር ጋዜጣኛታት መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያ ሲሳይ፡ ማሕበሮም ሓድሽ ከም ምዃኑ መጠን ኣብዚ ፈታኒ እዋን ድሕነት ኣባላቱ ውሑስ ንምግባር ዝሰርሕዎም ዘለዉ ስራሕቲ ውሱናት ከምዝኾኑ ንቢቢሲ ገሊጹ። ብፍላይ ጋዜጠኛታት ናብ ማእሰርቲ ኣብ ዝቃልዑሉ እዋን፤ መግለጺታት ብምውጻእ ጽዕንቶ ንምፍጣር ከምዝፍትኑ ሓቢሩ። ጋዜጠኛታት ናብ ማእሰርቲ ከይቃልዑ ንምግባር ድማ በቢእዋኑ ከምዝዘራረቡ ኣረዲኡ። ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሳህራ ወኪል ተጣባቒ መሰል ጋዜጠኛታት ዝኾነ ትካል - ሲፒጄ - ሙቶኪ፡ ድሕነት ጋዜጠኛታት ውሑስ ክኸውን ምግባር ናይ መንግስቲ ሓላፍነት ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ኩነታት ግን ትካላት ሚድያ ድሕነት ጋዜጠኛታቶም ናይ ምሕላው ሓላፍነት ከምዘለዎም ሓቢራ። ጋዜጠኛታት እውን ንድሕነቶም ሓላፍነት ክወስዱ ከምዘለዎም ብምዝኽኻር ብፍላይ ናብ ሓደጋ ዘእትውዎም ስራሕቲ ክቕበሉ ከምዘይክእሉ ናይ ምግላጽ ድፍረት ክህልዎም ከምዝግባእ ተዛሪባ። “ጋዜጠኛታት ካብ ሲፒጄ ኮነ ካልኦት ተመሳሰልቲ ትካላት ሓገዝ እንተደልዮም ከዘራርቡና ይኽእሉ እዮም” ክትብል ድማ ንቢቢሲ ገሊጻ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59559522"} {"headline":"ነቐፌታን ክስታትን ዝበዝሖ ጉዳይ ናጽነት ሚድያታት ኢትዮጵያ","content":"ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝውነኑን ምስ መንግስቲ ቅርበት ዘለዎምን መራኸቢ ብዙሃን ከምኡ ድማ ብኣንጻሩ ብብሕቲ (ብውልቀ) ዝውነኑ ሚድያታት፡ ነቲ ዝድግፍዎ ኣካል ጥራሕ ዘማእኽሉ ጸብጻባት ምስርሖም ነቲ ዓውዲን ሙያ ጋዜጠኝነትን ኣብ ፈተና ክወድቕ ከምዝገበሩ ሰብሞያ ይዛረቡ። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ 2010 ኣቆጻጽራ ግእዝ ናብ ስልጣን ምምጽኡ ስዒቡ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ተራእዩ ዝበሃል “ናይ ለውጢ ምንቕቓሕ” ተስፋ ዝህብ ከምዝነበረ ጋዜጠኛ ኤልያስ መሰረት ይገልጽ። ኣብቲ ሽዑ እዋን እተን ብመንግስቲ ዝውነና ማእኸናት ዜና ንድምጺ ተቓወምቲ ከተኣናግዳ ካብ ምኽኣለን ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ንዝለዓሉ ተቓውሞታት’ውን ሽፋን ክህባ ጀሚረን ነይረን። ኣብ 2011 ኣ.ግ ወርሒ ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ዓለም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኽበር ከሎ ድማ “ኢትዮጵያ ዋላ ሓደ ጋዜጠኛ ዘይተኣሰረላ ሃገር” ብዝብል ከምዝተወደሰት ይዝከር። እዚ ኩነታት ግን ነዊሕ ክቕጽል ኣይከኣለን። ኣብዚ ሕዚ እዋን “እተን ብመንግስቲ ዝውነናን ምስ መንግስቲ ርክብ ዘለወንን ማዕኸናት ዜና ናይ ፕሮፓጋንዳ ማሽን ብምዃን መንግስቲ ዝበሎ ጥራሕ ከጋውሓ ብስፍሓት ይረኣያ ኣለዋ” ይብል ጋዜጠኛ ኤልያስ። ካብ መንግስቲ ዝመጽእ መረዳእታ\/ሓበሬታ ዝኾነ ዓይነት ምጽራይ ከይገበርካ ናብ ህዝቢ ከምዘብጽሓ ብምሕባር ድማ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ኣባ ገዳታት ዝተፈጸመ ቅትለት ብዝምልከት ዝቐረበ ጸብጻብ ብኣብነት የቐምጥ። ኤልያስ ነቲ ኣብ ታሕሳስ 2014 ኣ.ግ ኣብ ልዕሊ ኣባ ገዳታት ከረዩ - ኦሮሚያ ዝተፈጸመ ቅትለት ስዒቡ ቢሮ ህዝባዊ ርክባት ክልል ኦሮሚያ ኣብ ፌስቡኩ ዝዘርግሖ መግለጺ ይጠቅስ። ኣብቲ ሽዑ እዋን መንግስቲ “ኣሸባሪ” ክብል ዝሰመዮም “ዕጡቓት ሸኔ” (ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ) ነቲ ቕትለት ከምዝፈጸምዎ እተን መንግስታውን ብመንግስቲ ዝጽለዋን ማዕኸናት ዜና ጸብጺበን ምንባረን የዘኻኽር ኤልያስ። ብድሕሪ ክልተ ወርሒ ማለት ኣብ መዛዘሚ ወርሒ ጥሪ ግን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ) ነቲ ቕትለት ዝፈጸሙ መንግስታዊ ኣካላት ፀጥታ ከምዝኾኑ ንዘካየዶ ምጽራይ ብምጥቃስ ከምዘፍለጠ ይዝከር። እተን መንግስታውያንን ብመንግስቲ ዝጽለዋን ሚድያታት ግን ነዚ ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሰሚዐን ከምዘይሰምዓ እየን ሓሊፈንኦ። ውድብ\/ሰልፊ ፖለቲካ ኢዜማ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መራኸቢ ብዙሃን ዝፈጸምኦ ተግባር ብምጥቃስ መእረምታ ክግበር ሓቲቱ ነይሩ። እተን ካብ ህዝቢ ብዝእከብ ግብሪ ዝመሓደራ ሚድያታት “ነቲ እከይ ተግባር ብዝተጋገየ መንገዲ ብምጽብጻበን ንህዝቢ ይቕሬታ ክሓታ፤ ከምኡ ድማ ነቲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝቐረበ ጸብጻብ ወይ ብናይ ብዓለን መንገዲ ነቲ ጉዳይ ኣጻርየን ነቲ ሓበሬታ ደጊመን ናብ ህዝቢ ከቕርብኦ ይግባእ” ኢሉ። ብኻልእ ወገን ከኣ ኣብቲ ብመንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ዝመሓደር ማዕኸን ዜና - ኦቢኤን - ዝሰርሕ ጋዜጠኛ ሰይፉ ጉርሙ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ናብ ቤት ፍርዲ ከይቐረበ ኣብ ማእሰርቲ ምጽንሑ፤ በቲ ዝሰርሓሉ ትካል ሽፋን ዜና ዘይምርካቡ ንሰራሕተኛታት ኦቢኤን ቅርታ ዝፈጠረሎም ጉዳይ ነይሩ። ቢቢሲን ካልኦት ማዕኸናት ዜናን ብዛዕባ ማእሰርቲ ጋዜጠኛ ሰይፉ ጸብጻባት ምስርሐን ስዒቡ ድማ “ብስሕተት ከምዝተኣሰረ” ተነጊርዎ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ምስጸንሐ ተፈቲሑ። ብተወሳኺ ድማ ነቲ ልዕሊ 16 ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታት ክልል ኦሮሚያ ብዛዕባ ኣብ ዝፍጠሩ ጎንጽታት፡ ኣካላት ጸጥታ መንግስቲ ፈጺሞምዎ ብዛእባ ዝበሃል ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት በዘን ማዕኸናት ዜና ሽፋን ክረክብ ኣይረኣይን። እንተሃለዉ’ውን ብኣጻብዕቲ ዝቑጸሩ እዮም። ኣብዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዘሎ ድርቂን ዘኸተሎ ጉድኣትን ብዝምልክት በተን ሃገራዊ ሚድያታት ግቡእ ሽፋን ከምዘይተወሃቦ ዝገልጹ ቅርታታት እውን ይስምዑ ኣለዉ። እተን መንግስታውን ምስ መንግስቲ ቅርበት ዘለወንን ማዕኸናት ዜና ዘለወን ኢዲቶሪያል ናጽነት ክሳብ ክንደይ ይኸውን? ጋዜጠኛታትን'ከ ኣብ ናይ ብዓልቶም ውሳነ ተመስሪቶም ዜና ክሰርሑ’ዶ ይኽእሉ? ኣብተን መንግስታውን ምስ መንግስቲ ቅርበት ዘለወንን ሚድያታት ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት መብዛሕቲኦም ብዓልቶም ዝሓሰብዎ ወይ ዝተለምዎ ዘይኮነስ “ካብ ላዕለዋይ ኣካል” ብዝመጽእ መምርሒ ወይ መንግስቲ “ይደልዮ እዩ” ብዝብል ኣብ ዝወሃብዎም ዛዕባታት ጥራሕ ቆላሕታ ብምሃብ ከምዝሰርሑ ሓደ ኣብ መንግስታዊ ማዕኸን ዜና ዝሰርሕ ጋዜጠኛ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ክበጽሖ ንዝኽእል ጸቕጥን ፍርሕን ብምስጋእ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ እቲ ጋዜጠኛ “ጋዜጠኛታት ብዓልቶም ዝሓሰብዎ ከይሰርሑ ምኽልካል፤ እንተሰሪሖም ከኣ ናብ ኣየር ፈነወ ከይበቅዕ ምግባር ኣሎ” ይብል። ብወድዓዊ ኩነታት ከምዝግደቡ፤ እቲ ዘሎ ኩነታት ዝደለይዎ ጸብጻብ ክሰርሑ ከምዘይፈቕደሎም ዝሕብር እቲ ጋዜጠኛ “ነገር ዘባኣእስ ክኸውን’ዩ፤ ምስ መንግስቲ ከቀያይመና እዩ” ዝብሉን ካልኦት ምኽንያታትን ከምዝቐርቡ የረድእ። “ናይ ሓደ ሹመኛ መንግስቲ ቅሬታ ወይ ቂም ንምትራፍ ብዝብል ኣብቲ ጋዜጠኛታት ክሰርሕዎ ዘለዎም ከምኡ ድማ ሓደ ጋዜጠኛ ክሰርሖ ዝወጠኖ ነገር ክቕየር ይግበር” ክብል ወሲኹ ገሊጹ። ጋዜጠኛታት፡ ካብ ኣባላት ኤዲቶሪያል ውሳነ ዘይኮኑ ሰባት ምናልባት እውን ካብ ሹመኛታት መንግስቲ “ከምዚ ዝበለ ጸብጻብ ስርሑ” ዝብል መምርሒ ከምዝወሃቦም፤ ኣርእስቲ ወይ ኣጀንዳ ከምዝወሃቦም፡ ዝተፈላለዩ መረዳእታት ከምዝበጽሕዎ ጋዜጠኛ ኤልያስ መሰረት ይዛረብ። “ጋዜጠኛታት ኣብ ሓደ ንዜና ዝሓሰብዎ ጉዳይ ምጽራይ ኣካይዶም ዘይኮኑስ ካብቲ ላዕለዋይ ኣካል ዝወሃቦም ነገር ከጋውሑ ጥራሕ እዮም ዝረኣዩ” ይብል ኤልያስ። ስለዝኾነ ድማ ኢድ ኣእታውነት ሹመኛታት መንግስቲ ንዓውዲ ሚድያ ይሃስዮ ምህላውን ህዝቢ ጽፁይ ሓበሬታ ይረክብ ከምዘየሎን ይገልጽ። እቲ ብሓደ ወገን ጥራሕ ንዘሎ ሓሳብ ጥራሕ ሒዝካ ምቅላሕ ካብ ካልኦት ወገን እውን ከምዝረኣይ ዝሓበረ ጋዜጠኛ ኤልያስ፡ ናይ ብሕቲ (ውልቀ) ሚድያታት ብፍላይ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ርክብ ዘለዎም ነቲ ዝድግፍዎ ኣካል ጥራሕ ምውጋን ከምኡ’ውን ንመንግስቲ ብዓይኒ ዕሙተይ ምቅዋም ከምዘሎ የረድእ። ጋዜጠኛታት ንዝመጽኡሉ ብሄር፣ ንዝስዕብዎ ሃይማኖት ወይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ብምውጋን ናይ ነጠፍቲ (‘ኣክቲቪዝም’) ስራሕቲ ክሰርሑ ይረኣዩ እዮም። “ነዚ እንተሰሪሕና መንግስቲ ክቑጣዕ እዩ” ብዝብል ነብሰ ምምያ ዝገብሩን ንገለ ዛዕባታት ሽፋን ካብ ምሃብ ዝዕቀቡን ጋዜጠኛታት ከምዘለዉ ዝገልጽ ኤልያስ፡ ከምዚ ክኸውን ዝኸኣለሉ ምኽንያት ድማ ብፍላይ እቲ ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ ዝረኣይ ዘሎ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት ከምዝኾነ ይጠቅስ። “ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ይትረፍ’ዶ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ኣበይ ከምዝተኣሰሩ’ውን ምፍላጥ ኣጸጋሚ ኣብ ዝኾነሉ ኩነታት ‘ኣባይ እውን ክበጽሕ እዩ’ ዝብል ፍርሒ ኣሎ” ይብል። መምህር ጋዜጠኝነትን ኮሚዩኒኬሽንን ዝኾነ ኣብዲሳ ዘርኣይ (ዶ\/ር) ብወገኑ፡ እታ ሃገር ኣብ ኲናትን ጎንጽታትን ብምህላዋ ከምኡ ድማ ፖለቲካ ኢትዮጵያ መስመር ይስሕት ብምህላዉ ሓቂ ኣብ ሓደጋ ወዲቓላ” ክብል ንቢቢሲ ርእይትኡ ሂቡ። መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ነጻ ኮይነንን ንሞያዊ ስነምግባር ዓቂበንን ዘይኮናስ፡ ናይ ፕሮፓጋንዳ ማሽን ብምዃን ብወገን መንግስቲ ንዝዝረብ ነገራት ጥራሕ ከቃልሓ ከምዝረኣያ ይዛረብ። እተን ናይ ውልቀ (ብሕቲ) እንተኾና’ውን ንዝድግፍኦ ወይ ንዝጣበቓሉ ኣካል ብዓይኒ ዕሙተይ ደጊፈን ስለዝሰርሓ “ሓቂ ኣብ ሓደጋ ወዲቓላ” ይብል። እቶም ኣብ ማዕኸናት ዜና ዝረኣዩ ጸገማት ክፍትሑ እንተኾይኖም፡ ኣብ ፖለቲካ ዝረኣይ ዘሎ መስመር ምስሓት ናብ ማእኸላይ ምርድዳእ ክመጽእን ክስተኻኸልን ከምዝግባእ መምህር ጋዜጠኝነትን ኮሚዩኒኬሽንን ዝኾነ ኣብዲሳ ዘርኣይ (ዶ\/ር) ይዛረብ። “ኣብዚ እዋን ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ዘሎ ኩነታት እቲ ተዓዳሚ [ተመልካቲ፣ ኣንባቢ ወይ ኣድማጺ] ጫፍ ብዝረገጹ ፖለቲካታት ስለዝተጸለወ፤ ጋዜጠኛ’ውን ስነምግባር ዝሓለወ ስራሕ ክሰርሕ ኣይክእልን። በዚ ምኽንያት ከኣ ካብቲ ጋዜጠኛ ብዙሕ ንጽበዮ ነገር ከይህልው ይኽእል’ዩ” ብምባል እቲ ቀንዲ ምምሕያሽ ኣባ ፖለቲካ ክመጽእ ከምዘለዎ ይሕብር። በዓልሞያ ሚድያን ጋዜጠኛን ኤልያስ መሰረት ብወገኑ፡ እተን መንግስቲ ብዝምድበለን በጀት ዝንቀሳቐሳ ሚድያታት ኤዲቶሪያል ናጽነተን ተሓልዩ ስራሕተን ክሰርሓ ክፍቀደለን ከምዝግባእ ርእይትኡ የቐምጥ። “ማሕበራት መድያ ድማ ናጽነት ንኽህልዉ ጸቕጢ ክገብራ ኣለወን” ዝብል ኤልያስ ንብቕዓት ጋዜጠኛታት ዘጠናኽሩ ስልጠናታት ምሃብ እውን ኣገዳሲ ከምዝኾነ ሓቢሩ’ሎ። ኣብዚ ትሕዝቶና ንሓሳብ መንግስታውን ምስ መንግስቲ ቅርበት ዘለወንን ማዕኸናት ዜና ክነካትት ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን። ናብ ሰበስልጣን በዓልመዚ መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ስልኪ ብምድዋል ሓሳቦም ንምትእንጋድ ዝገበርናዮ ጻዕሪ’ውን ኣይተሳኽዐን።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60675042"} {"headline":"ኣማል ሳልሕ፡ እታ ቀዳመይቲ ኣብ ህያው ፈነወ ተሌቪዥን ኤርትራ ዝተዋስአት ጋዜጠኛ","content":"ኣማል ሳልሕ ካብ'ቶም ቀዳሞት ጋዜጠኛታት ኤሪ-ቲቪን ንክፍሊ ዓረብኛ ኣብ ምምስራት ተራ ዝነበራን ሰብ'ያ። ንዓሰርተ ዓመታት ከም ጋዜጠኛን ኣሰናዳኢትን መደብ ዓረብኛ ኰይና ድሕሪ ምግልጋል፡ መንግስቲ ኣንጻር ናጻ-ፕረስ ንዘካይዶ ዝነበረ ወፈራታት ምስተዓዘበት ነቲ መደበር ገዲፋ ተሰደት። \"እቲ ንምምስራቱ ብዙሕ ጻዕሪ ዝፈሰሶ መደበር\" ትብል ኣማል፡ \"ገዲፈዮ ክኸይድ ቀሊል ዉሳኔ ኣይነበረን። ሞራለይ ቀስ ብቐስ ክስበር ይፍለጠኒ ነበረ ... ዜሕርቑን ዜባሳጭውን ኣብ መጠረስትኡ ክጻወሮ ዘይክእል ኵነታት ይመጽእ ከም ዝነበረ ይርኣየኒ ነይሩ\" ከኣ ትብል። \"ሕጂ እቲ ዘሕለፍክዎ ንድሕሪት ተመሊሰ ክርእዮ ይገርመኒ። እቲ ንኤርትራ ንምግልጋል ዝነበረኒ ባህጊ፡ ዓቕመይ ንከማዕብል ዝነበረኒ ሕልሚ፡ ምስኡ ዘኻዕበትክዎ ፍልጠትን ጽቡቕ ምንዮትን፡ ዝነበረኒ ዘይውዳእ ጕልበት፡ ናበይ ኣበለ ኢለ ንነብሰይ ዝሓተሉ እዋን ኣሎ፣ ይዅን'ምበር ሕልናይ ንጹህ'ዩ፣ ከመይ ገይሮም ሕልምታት ከም ዝቕተሉ ብቐረባ ርእየ ክብል እኽእል\" ብምባል ነቲ ዜሕለፈቶ ጕዕዞ ትገልጾ። ድሕረ-ባይታ ኣማል \"ኣነ ኣብ ደማስቆ (ሶርያ) ኢየ ዓብየ። ጓል ሓሙሽተ ዓመት ከሎኹ'የ ምስ ስድራይ ናብ ሶራያ ግዒዘ። ቅድሚ ናብ ሶርያ ምግዓዘይ ኣብ ሱዳን እነብር'ኳ እንተነበርኩ ዝዝክሮ ነገር ዳርጋ የብለይን። እዚ ማለት እቲ ዝዓበየ ተዘክሮታት ንእስነተይ ኣብ ደማስቆስ'ዩ ዝጅምር\" ብምባል ዕላላ ትጅምር። \"ኣብ ደማስቆ ተማሂረ፡ ምስ ደቂ ደማስቆ ዓብየ፣ ልክዕ ከም'ቶም ደቀባት ከኣ ናብራን መግብን ባህልን ሶርያ እናስተማቐርቁ'የ ዓብየ። ርግጽ'ዩ፡ ብናፍቖት ዝዝክሮ ኣተዓባብያ'ዩ። ካልእ ይትረፍ፡ ክሳዕ ዝዓቢ ኣብ ሶርያ ዑቕበኛ ከም ዝነበርኩ'ውን ኣይርድኣንን ነይሩ ...\" ብምባል ንዘሕለፈቶ ንእስነት ብናፍቖት ትዝክሮ። ዋላ'ኳ ኣዲኣ ንኣማል ኣብ ገዛ ብቋንቋ ትግረ እናተዛረባ የዕብይኣ፡ ህይወታን ህይወት ኣሕዋታን ብባህሊ ሶርያ ተዓብሊሉ ይዅስኰስ ስለ ዝነበረ ዓረብኛ ይስዕሮም ከም ዝነበረ ይዝከራ። ስለዚ ቀዳማይ ቋንቋኣ ዓረብኛ'ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ኣቦኣ ንኣማል ተጋዳላይ ጀብሃ'ዩ ነይሩ። ንሳ ንእሽቶ ስለ ዝነበረት ግን ፍልልያት ጀብሃን ሻዕብያን ኣይርድኣን ነይሩ። እቲ ኤርትራዊ መንነት'ውን እንተዀነ ክንድቲ ዓቢ ኣይነበረን። ልክዕ ከም ቘልዑ ጐረቤታን መማህርታን ብግርህነት ተዋሒጣ ብዝያዳ ጸወታን ንእስነትን ይዓጅባ'ኳ እንተነበረ መንነታ ቀስ ኢሉ ይሰርጽ ከም ዝነበረ ተዘንቱ። ሶርያውያን ሕብሮም ብጻዕዳ ክግለጽ ይከኣል፣ ኣማል ግን ኣብ ሞንጎ መዘናታታ ጸሊም ቆርበት ከም ዝነበራ ዳርጋ ተስተብህለሉ ከም ዘይነበረት ትዛረብ። ኣብ ሶርያ ዋላ'ኳ ምስልምና እቲ ዝዓበየ ሃይማኖት ይዅን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃይማኖታት እኹል ተጻዋርነት ከም ዝነበረ መጻሕፍቲ ታሪኽ ይምስክሩ'ዮም። እቲ ዜሕዝን ግን ሕጂ፡ ሶርያ ብሰንኪ ውግእ ናብ ዑና ተለዊጣ ትርከብ። ቅድሚ ውግእ፡ ሶርያ ካብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ፍሉይ መንነት ዝነበራ ኰይና ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ቱሪስት እተአንግድ፡ ብመግቢ፡ ብባህሊ፡ ብሃብታም ታሪኽ፡ ብታሪኻዊ ዑናታት እትዝከር ሃገር'ያ ነይራ። ብዝሒ-ህዝቢ ሶርያ 18 ሚልዮን ገጹ ይቀራረብ'ዩ፣ ስእነተ-ሰላም ብዜስዓቦ ጠንቅታት፡ ሕጂ ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ ሶርያ ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ኢሉ ይርከብ። ተዘክሮታት ኣማል እምበኣር ኣብ ጥዑምን ሰላምን ዝነበረሉ እዋን'ዩ ዘተኵር። ፍሉይ ተዘክሮታት ፍቕሪ ሃገር \"በቲ ናይ ሽዑ ዝነበረ ባህሊ መሰረት ብንእሽተይ እየ ተመርዕየ። ኣብቲ ዘመን'ቲ ብዛዕባ ኤርትራ ዝነበረኒ ተገዳስነት ክዓቢ ጀመረ። ኣብ ደማስቆ ኣባላትን ማሕበራትን ህዝባዊ ግንባር ግዙፍ ስለ ዝነበረ ኣብ ሓደ-ሓደ ኣኼባታት እካፈል ነይረ፣ ሓያሎ ሕቶታት'ውን እሓትት ነበርኩ\" ትብል ኣማል። ጸኒሑ መንነታን ኵነታት ኤርትራን እናተፈልጠ ስለ ዝኸደ ኣብ ልዕሊ እቲ ዘይትፈልጦ ሃገር ክቱር ፍቕርን ናፍቖትን ሓደራ። \"ኤርትራ ሓራ ወጺኣ ምስ ሰማዕኩ ክሕጐስን ክጽንብልን ይዝከረኒ። ከም በዓል ሓድሽ ድራር ዝኣመሰሉ መራሕቲ ማሕበረ-ሰብ ተገዳስነተይ ርእዮም ነታ ብወረ ጥራይ ዝፈልጣ ሃገር ብዓይነይ ከይደ ክርእያ ኣተባብዑኒ። 'ኬድኪ ርአይዮ'ሞ እንተ ፈተኺዮ ንዓመት ተገልግሊ፡ እንተዘይኰይኑ ትምለሲ' ኢሎምኒ\" ብምባል ኣማል ዕላላ ትቕጽል። \"ነቲ ዜቕረቡለይ ሓሳብ ጊዜ ወሲደ ምስ መመኽዎ ንኤርትራ ንክኸይድ ተሰማሚዕና። ሽዑ መሓዙተይን መቕርበይን እቲ ዝተለምኩዎ ሓሳብ - ናብ ዓደይ ንምምላስ - ምስ ሰምዑ ገረሞም። እዚ'ንድዩ ዓድኺ? ኢሎም ተኸራኸሩኒ። ኣነ ግን ወሲነ'የ ኢለ ኣቕበጽኩዎም። ኰይኑ ድማ እቶም ሓለፍቲ ማሕበረ-ሰብ ዘድልየኒ ኩሉ ባዕላቶም ኣዳላዮም ኣፋነዉኒ\" ትብል ኣማል። ኣማል ኣብ ኣስመራ ኣማል ብ1992'ያ ንመጀመርታ ንኣስመራ ርእያታን በጺሓታን። ካብ ዝተጸበየቶ ንላዕሊ ከምዝጸንሓታን ከኣ ትዛረብ። \"ኣስመራ ብእዋን ምሸት ስለ ዝኣተኹ ዳርጋ ተመሪሐ'የ ኣትየ። ኣብ ጥቓ ከረን ሆቴል፡ ኣብ እንዳ ሓንቲ መቕርበይ ኣትየ። ቅንይ ኢለ ንማእከል ከተማ ወሪደ ነቲ ወዛሕዛሕ ዝብል ዝነበረ ህዝቢ፡ እቶም ዕሙራት ዕዳጋታት፡ ኣብ ፈቐዶ ኵርናዕ ዝነበሩ ደዀክን፡ ነቲ ልስሉስ ክሊማ ምስ ኣስተማቐርኩ ብኡ-ንብኡ ምስ ኣስመራ ፍቕሪ ሓዘኒ\" ትብል። \"ትግርኛ'ኳ ኣይዛረብ ንዓይ እቲ ፍሕሽው ገጽ ደቂ-ኣስመራ እኹል'ዩ ነይሩ - ዓረብኛን እንግሊዘኛን ዝዛረቡ ብዙሓት ሰባት ስለ ዝረኸብኩ ብቋንቋ ኣይተሸገርኩን\" እናበለት ነቲ ሽዑ ዝነበረ ሃዋህው ትገልጾ። ድሕሪ ቁሩብ ሓንቲ መሓዝኣ ኣብ ሚድያ ንኽትሰርሕ ብምትብባዕ ንከተላልያ ኣብ ጥቓ ሲነማ ካፒቶል ናብ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ምኒስትሩ ዜና ኣሰነየታ። እቲ ሓዲሽ ዝጣየስ ዝነበረ ምኒስትሪ ዓቕሚ ሰብ የድልዮም ስለዝነበረ ንእለቱ ከም ጋዜጠኛ ቋንቋ ዓረብ ተቘጽረት። ኣብ ክፍሊ ዓረብኛ መደብ ቴሌቪዥን ንዝነበረ ሃጓፋት ኣብ ምምላእ ክትዋሳእ ጀመረት። ኤሪ-ቲቪ ኣይጸንሐን ሓደስቲ ናይ ዩኒቨርሲቲ ተምሃሮ ክቘጽርን ክምልምልን ጀመረ። ምስኡ ኸኣ ኣሰልጠንቲ ካብ ካናዳ መጺኦም ንኣባላት ክፍሊ ዜና ክምልምሉ ጀመሩ፣ ከምኡ ኢሉ እቲ ጋንታ ክስልጥንን ክዓብን ጀመረ\" እናበለት ተዘክሮታታ ትጽብጽብ። ተዘክሮታት ኤሪ-ቲቪ \"እቲ ኣውራ ዝዝከረኒ እቲ ዝነበረኒ ድልየትን ጽቡቕ ፍቓድን'ዩ። ከምኡ'ውን ጻዕርታት ናይ'ቶም ኣብ ከባብየይ ዝነበሩ ሰባት ይዝከረኒ\" ኢላ ብኣሕጽሮ ትምልስ። ሽዑ ኤሪ-ቲቪ ድሮ ተመስሪቱ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት መደባት ክሰርዕ ምስ ጀመረ ኣማል ከኣ ኣብ ሶርያ ብጋዜጠኛነት ዝቐሰመቶ ስልጠና ስለ ዝነበራ ኣብ ኤሪ-ቲቪ ተመዲባ ክትሰርሕ ጀመረት። ድሌታ ኣብ ረድዮን ጋዜጣን ንምግልጋል'ኳ እንተነበረ፡ እታ ቀዳመይቲ ኣብ ህያው ፈነወ ተሌቪዥን ኤርትራ ዝተዋስአት ጋዜጠኛ ብምዃን ታሪኽ ሰርሐት። መብዝሕትኦም ተጋደልቲ ናይ ሜዳ ተሞኵሮ ዝነበሮም ኰይኖም፡ ወሳኒ ተራ ዝነበሮም ንሳቶም'ዮም ነይሮም። \"ምስ በዓል ኣስመላሽ ኣብርሃ፡ ዓብዱ ሄጂ፡ ኣማኒኤል ሓድጉ፡ ኣለም ኪዳነ ከምኡ'ውን ካልኦት ተጋደልቲ-ነበር ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ይዝከረኒ\" ትብል ኣማል። ዓብዱ ሄጂ፡ ነባር ጋዜጠኛን ዲፕሎማትን፡ ካብ 2017 ክሳብ ሕጂ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ይርከብ። ገለ-ገለ ካብ ተዘክሮታት ኣማል እቲ ኣብ እዋን ዉግእ-ባድመ፡ ኣብ ዛላ-ኣንበሳ፡ ጸሮና፡ ሰንዓፈ እናኸደት ተመሓላልፎ ዝነበረት ፈነወታት'ዮም። 'ንምንታይ ስራሕኪ ንኽትገድፍዮ መረጽኪ?' ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሕለፈቶ ናብራ \"ልዑል ተስፋ'ዩ ነይሩኒ፡ ግን ምስ ጊዜ በኒኑ\" ክትብል ብክልተ ሓረጋት ትገልጾ። እቲ ስራሕ ንዓኣ ከም ዘይከውን ብምሕሳብ ብፍቓዳ ክትሰናበት እኳ እንተፈተነት ምቕባል ስለዝኣበዩዋ ስርሓ ንኽትቅጽል ከምእተገደደት ትሕብር። ንነዊሕ እዋን ኣብ መስርሕ ኩነታት ክተኻኸል እዩ ብምባል ብዙሕ እኳ እንተተጸመመት፡ እቲ ባህሪ ስራሕ ኰነ ባህሪ ሓለፍቲ ምስ ባህራ እናተረሓሓቐ ስለዝኸደ ጊዜ ምስ ነውሐን ከምዚ ግበሪ፡ ከምቲ ኣይትግበሪ ዝብሉ ትእዛዛት ምስ በዝሑን ክትገድፎ ወሲና። \"ከም ኣሰናዳኢት መደብ መጠን ኣብ ኣኼባታትና በቲ ዝመሰለኒ 'ንህዝቢ ዜነቓቕሑን ዝምህሩን ዛዕባታት ነቕርብ፣ ኣብ ጽርግያ ወጺእና ንህዝቢ ብሓድሓደ ዜገድሶ ዛዕባታት ንወከሶ፡ ነሳትፎ' ኢለ ሓሳብ ደጋጊመ ከቕርብ ከሎኹ 'ህዝቢ ጌና'ዩ ዘሎ፣ ከምኡ ዝኣመሰለ ዛዕባ ምስ ሕብረተሰብና ኣይከይድን'ዩ፣ ንስኺ ኣይርድኣክን'ዩ፡ ህዝብና ከምዚ ኣይርድኦን'ዩ፣ ካብ ሕንጻጽ ትወጺ ኣሎኺ፣ ንስኺ ብናይ ግዳም ኣካይዳ ተደፊእኪ ኣብዚ ዘይሰርሕ ሓሳባት ተቕርቢ ኣሎኺ' ዝኣመሰሉ ሞራለይ ዝጎድኡ መልስታት ብምቕራብ፡ በቲ እቶም ሓለፍቲ ዝደለይዎ መዳያት ጥራይ ንኽንከይድ ጸቕጥታት ይገብሩለይ ነይሮም\" ብማለት ነቲ ዝነበረ ኩነታት ትገልጾ። \"ሕልመይ ምስ ህዝቢ ብቐረባ ንክሰርሕ፡ ንምዕባሌ ሃገር ከኣ ንከበርክት ካብ ዝብል ዕላማ ተበጊሰ'የ ኵሉ ገዲፈ ንኤርትራ ዝተጐዓዝኩ። ብዕድመ ንእሽቶ'ኳ እንተነበርኩ መንፈሰይ ግን ልዑል'ዩ ነይሩ ክብል በቲ ኣገባብ ክሕዙኒ ኣይተጸበኹን\" ትብል ተዘክሮታታ ብምድህሳስ። ጸኒሐ ከኣ \"እቲ ናጽነት-ፕረስ ድኣ ኣበይ ኣሎ? እቲ ንህዝቢ ዚሰርሕ ሚድያ ድኣ ኣበይ ኣሎ\" ብዝብሉ ሓሳባት ተደሪኻ ብፍቓዳ ካብ ስርሓ ንኽትእለ ክልተ ሳዕ ፈቲና ምስ ተነጽገት ተስፋ ናብ ምቝራጽ ከደት። \"መብዝሕትኡ መደብ በቶም 'እሙናት ጋዜጠኛታት\/ካድራት' ተሓንጺጹ ብኣታቶም ይቐርቡ ነበሩ። ሕጂ ንድሕሪት ተመሊሰ ክርእዮ ከሎኹ እቲ ስርዓት ነቶም ናይ ሽዑ ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን - ከም በዓል ስዩም ጸሃየ ዀኑ ካልኦት ከም ዝኣሰረ፡ ጋዜጠኛነት ከኣ ንኣገልግሎት መንግስቲ'ምበር ንኣገልግሎት ህዝቢ ከም ዘይነበረ፡ ኰይኑ ድማ ሕልናይ ክጻወሮ ከም ዘይከኣለ ይዝከረኒ\"። \"ብተወሳኺ፡ ብደሞዝ ዘይኰነ ብሞቝሺሽ ኢየ ንዓመታት ሰሪሐ። ሕራይ ከም ሰበይ፣ ግን ህይወት ይፈታትነኒ ነይሩ'ዩ። እቲ መንግስቲ ይብለጽ ከም ዝነበረ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ኣይደልን\" ትብል። ኣብ መጠረስትኡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ክእሰሩ ምስ ጀመሩ - ምናዳ ጋዜጠኛታት ኰኑ ሓለፍቲ መንግስቲ - እቲ ኵነታት ኣባይ ክበጽሕ'ዩ ኢለ በቲ ገይሸዮ ዝነበርኩ ኣቢለ ናብ ዓዲ ስደተይ ኣምራሕኩ። ኣማል ኣብ ዓዲ ስደት \"ስደት ከይደለኹዎ'ዩ መጺኡ ... ኣነ ተገዲደ'የ ተሰዲደ። ይዅን'ምበር፡ እዚ ዘሕልፎ ዘለኹ ናብራ ክግምግሞ ከለኹ ብልጫታት ስደት ይረኣየኒ'ዩ። ኣብዚ ካብ ድንገትን ሓደጋን ናጻ ዀይነ፡ ድላየይ ተዛሪበ፡ ሰብኣዊ መሰለይ ተሓልዩ፡ ብሰላም ደቀይ ክዕብን ከምህርን፡ ኤርትራ ዝነፈገትኒ መሰላት ዓዲ እግሊዝ ትህበኒ ከም ዘላ ኣግሂደ ክምስክር ሕልናይ ይድርኸኒ\" ትብል። \"ብጽቡቕ ዓብያ ዝተማህረትን ስርሓ ዝሓዘትን ዕውትቲ ጓል ኣላትኒ። ሓደ መዓልቲ ዝበለትኒ ኩሉ ጊዜ ይዝከረኒ ... 'ዜግነት እንግሊዝ ኣሎኪ፡ መሰላትኪ ኸኣ ልክዕ ከም'ቶም ደቀባት'ዩ፣ ኣብዚ ድማ ኣብ ቤትኪ ንዕስራ ዓመት ነቢርኪ። ይዅን'ምበር፡ ልብኺ ኣብ ኤርትራ፡ መዓስ ኢኺ ንጸጋታትኪ ተቐቢልኪ እፎይ ኢልኪ ትነብሪ?' ኢላትኒ\" ክትብል ነዚ ዝርርብ መደምደምታ ገበረትሉ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59765769"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ኣክቲቪስት እያስፔድ ተስፋዬ ብሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ተኣሲሩ","content":"ኢትዮጵያዊ ንጡፍ ፖለቲካ (ኣክቲቪስት) እያስፔድ ተስፋዬ ብፖሊስ ከምዝተኣሰረ ወላዲቱ ንቢቢሲ ኣረጋጊፀን። ወይዘሮ ተሻለች፡ ትማሊ ሰሉስ ኽዳን ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተኸደኑ ኣካላት ፀጥታ ናብ መንበሪ ገዝአን ብምምፃእ ንወደን ኢያስፔድ ከምዝወስድዎ ንቢቢሲ ገሊፀን። እቶም ኣካላት ፀጥታ መንበሪ ገዝአን ንሰዓታት ከምዝፈተሽዎ’ውን ሓቢረን። እቶም ኣባላት ፖሊስ ኢያስፔድ ዝነብረሉ ገዛ ካብ ሰዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ክሳብ ሰዓት 7፡00 ኣቆፃፅራ ግእዝ ፈቲሸሞ ኢለን። ምኽንያት ምእሳር ወደን ከምዘይተነገረንን፡ ሕቶ ኣብ ዘቕረባሉ እዋን ድማ እቶም ፖሊስ ከምዝተቖጥዕወን ንቢቢሲ ገሊፀን። ወይዘሮ ተሻለች፡ “ክሓቶም ከለኹ ንድር ንድር ይብሉ ኔሮም። ናህተይን ናይቶም ፖሊስን ምጭቕጫቕ ንወደይ ከሻቕሎ’ዩ ኢለ ሱቕ ኢለ” ብምባል፡ እቶም ኣካላት ፀጥታ ንወደን ንምንታይ ይወስድዎ ከምዘለዉ ኣጥቢቐን ካብ ምሕታት ከምዝተቖጠባ ተዛሪበን። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ካልእ ስሞም ከይፅራሕ ዝሓተቱ ስድራ እያስፔድ ድማ፡ ካብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝመፅኡ ሓይልታት ፀጥታ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ተፍትሽ ከምዘካየዱን ኣብ መወዳእታ ንሕቶ ትድለ ኢኻ ብምባል ንእያስፔድ ሒዘሞ ከምዝኸዱ ገሊፆም። እዞም ኣባል ስድራ ከምዝብልዎ: እቶም ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ ቅድሚ ምፍታሾም ንነዊሕ ሰዓታት ትእዛዝ ይፅበዩ ከምዘለዉ ብምዝራብ ክፅበዩ ከምዝፀንሑ ሓቢሮም። ቢቢሲ፡ እያስፔድ ብምንታይ ምኽንያት ከምዝተኣሰረ ካብ ኮምሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ፃዕሪ ኣይሰመረን። ወሃቢቃል ፖሊስ ፌደራል ጄይላን ኣብዲ ብወገኑ፡ ኣብዚ ጉዳይ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ተዛሪቡ። ኣደ እያስፔድ ወይዘሮ ተሻለች፡ ብሰንኪ እቲ ተግባራዊ ኮይኑ ዘሎ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ፡ እቶም ኣካላት ፀጥታ መንበሪ ገዝአን እንክፍትሹ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ንከርእይወን ምሕታት ከምዘይከኣላ ገሊፀን። እቶም ኣካላት ፀጥታ ድሕርቲ ነዊሕ ተፍትሽ እያስፔድ ዝጥቀመሎም ላፕቶፕን ሞባይልን ከምዝወሰዱ ሓቢረን። “ኣነ እግረይ ተሰይረ ይሕክመኒ’ዩ ኔሩ። ናብ ገዛ ኣትዮም ንዝሓተትዎ ሕቶታት ይምልሰሎም ኔሩ። ኣብ መደቀሲ ክፍሊ ስለዝነበርኩ ብትኽክል ዝተዛረብዎ ነገር ኣይሰማዕኹን” ኢለን። ናብ ኮምሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ሒዘሞ ከምዝኸዱ ምስተዛረቡ ድማ፡ ሓፍቱ ነቶም ኣባላት ፖሊስ ብምስዓብ ኣበይ ከምዝኣሰርዎ ከምዘረጋገፀት ተዛሪበን። እያስፔድ መን እዩ? እያስፔድ ንብዙሕ ዓመታት ብፖለቲካዊ ተቓውሞን ብመገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ማሕበረሰብ ብምንቃሕን ይፍለጥ። ኣብዚ ቀረባ ግዘ ኣብ ዝተጣየሸ ብዩቲዩብ ኣብ ዝመሓለለፍ ሚድያ ‘ኡበንቱ’ ዝሰርሕ እያስፔድ ተስፋዬ፡ ቅድሚ ሕዚ ብሰንኪ ፖለቲካዊ መርገፂኡ ብተደጋጋሚ ከምዝተኣሰረ ናይ ቀረባ መሓዙቱ ይገልፁ። ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ኣባል ሰማያዊ ፓርቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምስ ካልኦት ኣመራርሓን ኣባላትን እቲ ውድብ ተኣሲሩ ኔሩ። ኣብ 2009 ኣቆፃፅራ ግእዝ ዝተኣወጀ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ስዒቡ’ውን ተኣሲሩ ኔሩ። ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ስዒቡ ዝተኣወጀ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ፡ ንጸብጻባት ማዕከናት ዜና ዝምልከቱ ዓንቀጻት ብምሓዝ እዩ ካብ 23 ጥቅምቲ 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ጀሚሩ ግብራዊ ኮይኑ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59582136"} {"headline":"ፕረስ: ጋዜጠኛ ታምራት ነገራ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ብዋሕስ ተፈቲሑ","content":"መስራትን ዋና ኣሰናዳእን ተራራ ኔት ወርክ ታምራት ነገራ ብኣቆጻጽራ ግእዝ ሎሚ 28 መጋቢት 2014 ዓ\/ም ብናይ 50 ሽሕ ብር ዋሕስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተፈትሐ ተገሊጹ፡፡ እቲ ጋዜጠኛ ትማሊ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኦሮምያ ብዋሕስ ክፍታሕ ምስወሰነ እዩ ሎሚ ድሕሪ ናይ 118 መዓልቲታት ማእሰርቲ ተፈቲሑ ዘሎ፡፡ እቲ ቤት ፍርዲ ካብ 2 መጋቢት ጀሚሩ ሕቶ መሰል ዋሕስ እቲ ጋዜጠኛ እናመርመረ ከምዝጸንሐ ተራራ ኔትወርክ ኣብ ማሕራዊ ገጹ ኣፍሊጡ፡፡ ጋዜጠኛ ታምራት ክሳብ ሕዚ ክሲ ዘይተመስረቶ ኮይኑ፡ 1 መጋቢት 2014 ዓ\/ም ኣብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ገላን ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ዓቃቢ ሕጊ ኣብ 15 መዓልቲ ክሲ ክምስርት ትእዛዝ ተዋሂብዎ ነይሩ፡፡ ጠበቓ ተኣምራት ብወገኑ 2 መጋቢት ብዋሕስ ክፍታሕ ናይ ዋሕስ መዝገብ ዝኸፈተ ኮይኑ፡ ድሕሪ ክልተ ቆጸሮታት ትማሊ እቲ ጋዜጠኛ ብዋሕስ ክፍታሕ ወሲኑ፡፡ ቅድም ክብል ንጋዜጣ ኣዲስ ነገር ዝሰርሕ ዝነበረን ካብ ስደት ተመሊሱ ኣብ ዘጣየሾ ተራራ ኔትወርክ ዝተባህለ ናይ ኦንላይን መደብ ክሰርሕ ዝጸንሐን ጋዜጠኛ ታምራት ነገራ: ብ1 ታሕሳስ 2014 ዓ\/ም ካብ ገዝኡ ብሓይልታት ጸጥታ ተወሲዱ ተኣሲሩ፡፡ ኣብቲ እዋን ናብ ጣብያ ፖሊስ ‘ሶስተኛ’ ንሕቶ ትድለ ኢኻ ተባሂሉ ዝተወሰደ ኮይኑ፡ ኣብ ጣብያ ፖሊስ ገላንን ዳለቲን ንልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ተኣሲሩ፡፡ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ፍልጥቲ ኣብ ዝነበረት ጋዜጣ ኣዲስ ነገር ፖለቲካዊ ትንታነታት ብምጽሓፍ ዝፍለጥ ዝነበረ ጋዜጠኛ ታምራት ፡ እታ ጋዜጣ ብመንግስታዊ ጸቕጢ ምስተዓጸወት ንሱን ዝበዝሑ መሳርሕቱን ካብ ሃገሮም ተሰዲዶም፡፡ ድሕሪ ናይ ኣመሪካ ናይ ዓመታት ጻንሒት ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ ተራራ ኔትወርክ ዝተባህለ ናይ ዩትዩብ ቻነል ብምጅማር ዝተፈላለዩ መደባት እናቕረበ እውን ጸኒሑ፡፡","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61013208"} {"headline":"ቅልውላው ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ዘሕደሮ ጽልዋ","content":"ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ይኽበር ኣሎ። ኣብዚ መዓልቲ፡ ኢትዮጵያ፡ ንነዊሕ እዋን ብዝቐጸለ፡ ንሚልዮናት ብዘይ ሰብኣዊ ረድኤትን ሓበሬታን ክነብሩ ኣብ ዝገበረ ኲናት ሓድሕድ ኣብ እትርከበሉ ኩነታት ኣቓልቦ ካብ ዝሰሓቡ ሃገራት ሓንቲ ኮይና ኣላ። ኣብታ ብኲናት ዝተጎድአት ክልል ትግራይ ንኣዋርሕ ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርነትን የለን። ምስቲ ኲናት ብዝተሓሓዝ መንግስቲ ደንጊጉዎ ዝነበረ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ድማ፡ ነቐፍቲ ንምዕፋን ተጠቒሙሉ'ዩ ብዝብል ትካላት ተሓላቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይኸሱ። መንግስቲ ግን ነዚ ኣይቕበሎን። ኣብቲ እዋን፡ ክሲ ካብ ዘቕረቡ ትካላት ተሓለቕቲ መሰል ጋዜጠኛታት ሓደ ዝዀነ ሲፒጀይ፡ ኢትዮጲያ ነቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ጋዜጠኛታት ንምእሳር ትጥቀመሉ ኣላ ኢሉ ነይሩ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ደማዊ ውግእ ብዙሓት ኣብ ጸልማት እዮም ዝርከቡ። ቅድሚ ሓደ ዓመትን መንፈቕን፡ ኣብ ትግራይ ኲናት ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ኵሎም መስመራት ርክብ፡ ተሌፎንን ኢንተርነትን ተቛሪጾም። መብዛሕትኦም እቲ ኲናት ዝተኻየደሎም ቦታታት እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርነትን ዘይብሎም ኮይኖም፡ ኣብዚ እዋን ትግራይ ካብ ዓለም ተቖራሪጻ ትርከብ። እዚ ኩነታት ብፍላይ ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ዝኾኑ ኣካላት ጃምላዊ ቅትለት፣ ጾታዊ ዓመጽን ካልኦት ከበድቲ ገበናትን ብምፍጻም ኣብ ዝኽሰስሉ እዋን ትኽክለኛ ሓበሬታ ንምርካብ ኣጸጋሚ ገይሩዎ'ዩ። ጋዜጠኛታት ናብ ግንባር ከይዶም ከየጻርዩ ስለ ዝተኸልከሉ ብዛዕባ እቲ ኲናት ኮነ ሳዕቤናቱ ዝምልከቱ ጸብጻባት ብዝግባእ ኣይተሰርሑን። ካብኡ ሓሊፉ እቲ ኲናት ኣብ ጋዜጠኝነትን ሓሳብካ ብናጽነት ናይ ምግላጽ መሰልን ናይ ባዕሉ ጽልዋ ኣሕዲሩ'ዩ። \"ቅድሚ እቲ ኲናት ከም ሲፒጄ: ገለ ዘተሓሳስቡ ዝንባለታት ክንርኢ ጀሚርና ነይርና። ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ኣብ ዝህልወሉ ግዜ ኢንተርነት ይዕጾ ነይሩ፤ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ንድሓር ግን ቅድም ኢሎም ዝርኣዩ ዝነበሩ ኩነታት ጎሊሖም ክርኣዩ ጀሚሮም። ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ክሲ ከይተመስረቶም ንኣዋርሕ ተኣሲሮም'ዮም\" ክትብል ወኪል ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ሲፒጄ ሙቶኪ ሙሞ ተረድእ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር፡ ኢትዮጵያ፡ እቲ ኩነታት ኣብ ግዝኣታዊ ሓድነትን ልኡላውነትን እታ ሃገር ከቢድ ሓደጋ ዘምጽአ ስለ ዝኾነ \"ብስሩዕ ሕጊ ምቁጽጻር ስለ ዘይተኽኣለ\" ብዝብል ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ምእዋጃ ዝዝከር ኮይኑ፡ ነዚ ስዒቡ ብውሑድ 14 ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም'ዮም። እዚኦም፡ ኣብ መንግስታዊ ኮርፖሬት ብሮስካቲንግ ኢትዮጵያ [ኢቢሲ] ጋዜጠኛታት ሬድዮ ክፍሊ ቋንቋ ትግርኛ ዝነበሩ ክልተ ጋዜጠኛታት፣ ኣዳላዊ ቴሌቪዥን ዩትዩብ ኡቡንቱ፣ ኣዳላዊ ተራራ ኔትዎርክ ይርከቡዎም። ብተወሳኺ፡ ወኪል ኣሶሽየትድ ፕሬስ፣ በዓል ሞያ ካሜራን ጋዜጠኛታት ፋና ብሮድካቲን ኮርፖሬትን ኣብ ማእሰርቲ ዝነበሩ ኮይኖም፡ ካብዚኦም መብዛሕትኦም ከም ዝተፈትሑ ይዝከር። ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ተኣሲሩ ዝተፈትሐ ጋዜጠኛ ኤፒ ኣሚር ኣማን፡ ኣባላት መንግስቲ ብግብረ ሽበራ ዝፈረጆ ጉጅለ ቃለ መጠይቕ ገይርካ ተባሂሉ ኣብ ቀይዲ ከም ዝውዓለ ይዝከር። \"ሓሳባት ከይወጽኡ ክትእግዶም ኣይትኽእልን። ሕጂ እቲ ግዜ ዝተፈለየ'ዩ፤ ዜናን ታሪኻትን ናብ ህዝቢ ከይበጽሕ ክትኽልክል ኣይትኽእልን። ንሕና ስግኣት ሃገር ኣይኮናን፤ ስራሕና ኢና ንሰርሕ ዘለና። ሓሳብ ዝዕፍን ስርዓት ክህሉ የብሉን\" ክብል ኣሚር ይዛረብ። ሲፒጄ፡ ኣብ ቀረባ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ካልአይቲ'ያ ዝብል ጸብጻብ ኣውጺኡ'ዩ። ሎሚ'ውን ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ደሱ ዱላን ቢቂላ ኣመኑን ዝተባህሉ ጋዜጠኛታት ክፍትሑን ክሶም ክቋረጽን ሓቲቱ። እዚኦም ንኦሮሚያ ኒውስ ኔትዎርክ ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ኮይኖም፡ ምስቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ብዝተሓሓዝ ዝተኣሰሩ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ኣዋጅ ድሕሪ ምልዓሉ ጋዜጠኛታት ደሱን ቢቂላን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝርከቡን ሕገ መንግስቲ ብምጽባእ ዝብል ክሲ ቀሪቡሎም ናይ ሞት ፍርዲ ይጽበዮም ከም ዘሎ ሲፒጄ ገሊጹ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/61290778"} {"headline":"ቅድሚ ሰላሳ ዓመት ሶቭየት ሕብረት ክትፈርስ ዝገበሩ ሓሙሽተ ምኽንያታት","content":"25 ታሕሳስ 1991፡ ፕረዚደንት ሕብረት ሶቭየት ሚካኤል ጎርባቸቭ ብወግዒ ካብ ስልጣኑ ከም ዝወረደ ገሊጹ። ኣብቲ ዝሰዓበ መዓልቲ ፓርላማ እታ ሃገር - 'ሱፕሪም ሶቭየት' ንነጻነት ናይ 15 ሓደስቲ ነጻ ሃገራት ወግዓዊ ኣፍልጦ ክህብ እንከሎ እዚ ከኣ መከተምታ ናይ ሕብረት ሶቭየት ኮነ። እቲ ኣብ ሓደ እዋን መለለዪ ናይ ሓንቲ ካብተን ሓያላት ሃገራት ዓለም ዝነበረ፡ መዶሻን ማዕጺድን ዝነበሮ ቀይሕ ባንዴራ ኣብ ክረምሊን ወረደ። ጎርባቸቭ ኣብ 1985 ወዲ 54 ዓመን እንከሎ እዩ ናብ ስልጣን ደዪቡ። ኣብታ ናብ ዝሕታለ ትኣቱ ዝነበረት ሃገር ብዙሕ ዕረያታት ብምትእትታው ሓድሽ ህይወት ክዘርኣላ ፈተነ። ብዙሓት እቲ ብ 'ፐረስትሮይካ' ማለት ዳግመ ህንጸትን ምትዕርራይን ከምኡ'ውን ብ 'ግላስኖስት' ማለት ግሉጽነትን ነጻነት ሓሳብካ ምግላጽን ዝፍለጡ ዕረያታት ነታ ሃገር ናብ ውድቀት ከም ዘምርሕዋ ክምጉቱ እንከለው ካልኦት ከኣ ሶቭየት ክትድሕነሉ ኣብ ዘይትኽእል ደረጃ በጺሓ ምንባራ ይዛረቡ። እምበኣር ኣብዚ ጽሑፍ፡ ነታ ሃገር ናብ ውድቀት ዘምርሑን፣ ሩስያ ንገዛእ ርእሳ እትርእየሉን ምስ'ቲ ካልእ ዓለም እትቀራረበሉን መገድታት ኣብ ምቕራጽ ዓቢይ ተራ ንዝነበሮምን ሓሙሽተ ምኽንያታት ክንድህስሶም ኢና። እቲ እንኮን ዝዓበየን ሽግር ሶቭየት ሕብረት ቁጠባዊ ውድቀት እዩ። እታ ሃገር ምእኹል ምሕደራ ዘለዎ ቁጠባ ዝነበራ ኮይኑ እዚ ምስቲ መብዛሕትአን ሃገራት ዝኽተልኦ ብዕዳጋ ዝምራሕ ቁጠባ ዝጻባእ እዩ። እታ ሃገር፡ ነፍሲ ወከፍ ነገር፡ ንኣብነት ክንደይ መካይን፣ ክንደይ ጽምዲ ሳእኒ፣ ክንደይ ባኒ ወዘተ. . . ክፈሪ ከም ዘለዎ ትውስን። ብዘይካ'ዚ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ክንደይ ከምዘድልዮ ዓቐን ክትገብረሉ እንከላ፤ ብኽንደይ ክሽየጥ ከም ዘለዎን ሰባት ክንደይ ክኽፈሉ ከምዘለዎምን ትውስን። እቲ ኣገባብ ጥቁውን ርትዓውን ስርዓት ንምፍጣር ዘኽእል ምዃኑ እኳ እቲ ክልሰ ሓሳብ እንተገለጸ ኣብ ባይታ ግና ክሰርሕ ኣይከኣለን። ቀረብ ወትሩ ካብ ጠለብ ክድሕር እንከሎ ገንዘብ'ውን ብዙሕ ዋጋ ኣይነበሮን። ኣብ ሕብረት ሶቭየት ብዙሓት ሰባት ድኻታት ኣይነበሩን፤ እንተኾነ ግና ቀረብ መሰረታዊ ነገራት እኹል ብዘይምንባሩ ንምርካቡ ይጽገሙ ነይሮም። መኪና ንምዕዳግ፡ ንዓመታት ተርታ ሒዝካ ክትጽበይ የድልየካ። ጃኬት ወይ ናይ ሓጋይ ሳእኒ ንምዕዳግ ንሰዓተት ሪጋ ሒዝካ ድሕሪ ምጽባይ ዓቐንካ ተወዲኡ ይጸንሓካ። እቲ ነቲ ኩነታት ዘኽብዶ ዝነበረ፡ ንናይ ጠፈር ዳህሳስን ኣብ መንጎ ሕብረት ሶቭየትን ኣሜሪካን ካብ 1950ታት ንዝጀመረ ናይ ኣጽዋር ምውድዳርን ዝግበር ዝነበረ ወጻኢታት እዩ። ሕብረት ሶቭየት እታ ንፈለማ እዋን ሰብ ናብ ጠፈር ክትልእኽ ዝኸኣለት ሃገር ክትኸውን እንከላ፤ ኒኩለራዊ ኣጽዋርን ባሊስቲካዊ ሚሳይላትን ትውንን ነበረት። እዚ ኩሉ ገዚፍ ባጀት ይጠልብ ነበረ። ሕብረት ሶቭየት ነቲ ምስ ኣሜሪካ ዝነበራ ምውድዳር ከም ነዳድን ጋዝን ካብ ዝኣመሰሉ ባህርያዊ ጸጋታት ብእትረኽቦ ኣታዊታት እያ ትምውሎ ዝነበረት። ኣብ ፈለማ 1980ታት ግና ዋጋ ነዳዲ ኣዝዩ ብምንቁልቋሉ ነቲ ደምበርበር ዝብል ዝነበረ ቁጠባኣ ብከቢድ ሃስይዎ። ፖሊሲ ዳግመ ህንጸትን ምትዕርራይን ጎርባቸቭ፡ ገለ ናይ ዕዳጋ መትከላት እኳ እንተኣተኣታተወ ገዚፍ ቁጠባ ሶቭየት ቀልጢፍካ ንምዕራዩ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ጋሕማጥ ነበረ። ከቢድ ሕጽረት ሓለኽቲ ኣቕሑት ክነብር እንከሎ፡ ዝቕባበ ሰማይ ዓሪጉ። ኣብ 1990 ሰብ መዚ ዘተኣታተውዎ ናይ ገንዘባዊ ፖሊሲ ዕረያ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ንዘዋህለልዎ ቁንጣሮ ዘስእን ነበረ። መረረት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ መሊሱ በኣሰ። እዚ ምስ ናይ ሕጂ እንታይ የራኽቦ? ሕጽረት ሓለኽቲ ኣቕሑት ኣብ ኣተሓሳስባ ህዝቢ ድሕረ-ሶቭየት'ውን ጽልዋ ፈጢሩ እዩ። ሎም'ውን ከይተረፈ - ድሕሪ ሓደ ወለዶ - ሕጽረት መሰረታዊ ነገራት ከየጋጥም ዝብል ፍርሒ ኣሎ። እዚ ኣብ እዋን ጎስጓስ ምርጫታት ብቐሊሉ ዝምዝመዝ ዘሎ ሓያል ስምዒት እዩ። ሓደ ካብ ዕረያታት ጎረባቸቭ ዝነበረ ፖሊሲ ግሉጽነትን ነጻነት ሓሳብካ ምግላጽን፡ ዕላምኡ ኣብታ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ዝነበረትን ህዝቢ ሃሳቡ ንምግላጽ፡ ንምሕታት ኮነ ንምጉርምራም ኣዝዩ ዝፈርሓላ ሃገር ዝሓሸ ነጻነት ምዝራብ ንምፍቃድ ዝዓለመ ነበረ። ታሪኻዊ ሰነዳት ግልጺ ብምግባር ንሓቀኛ ምስሊ ናተቲ ኣብ እዋን ጆሴፍ ስታሊን (ካብ 1924 ክሳዕ 1953 መራሒ ሕብረት ሶቭየት ነበር) ንዝነበረ ጭፍለቓን ዘስዓቦ ሞት ሚልዮናትን ኣርኣየ። ብዛዕባ መጻኢት ሕብረት ሶቭየት፣ ኣሰራርዓ ሓይልን ንቕድሚት ንምቕጻል እንታይ ዓይነት ዕረያ ከምዘድልን ክትዓት ኣተባብዐ። ብዙሕነት ሰልፍታት ዘፍቅድ ስርዓት ዝብል ሓሳብ'ውን ኣእንጊዱ። እዚ ንዕብላለ ሰልፊ ኮሚኒስት ዝብድህ ነበረ። ኣብ ክንዲ ንስነ-ሓሳብ ሶቭየት ንእሽቶ ምትዕርራያት ጌርካ ምቕጻል፡ እዚ ፍልይ ዝበለ ኣካዪዳ ብዙሓት ሶቬታውያን፡ እቲ ብሰልፊ ኮሚኒስት ዝምራሕ ስርዓተ ምሕደራ ውጽኢታዊ ከም ዘይኮነ፡ ጨፍላቕን ንብልሽውና ክፉት ምዃኑን ከም ዝኣምኑ ገበረ። ኣብቲ ኣገባብ ምሕደራ፡ ስልጣን ብሽመት ወይ ከኣ ተዋዳዳሪ ብዘይብሉ ምርጫ እዩ ሓላፍነት ዝወሃብ ነይሩ። መንግስቲ ጎርባቸቭ ብቕልጡፍ ኣብ መስርሕ ምርጫ ገለ ባእታታት ናይ ነጻነትን ርትኣውነትን ከተኣታቱ እኳ እንተፈተነ ደንጉዩ ነበረ። ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብፍላይ፡ ምሉእ ግሉጽነት ንዘይብሉን ደሞክራስያዊ ንዘይኮነን መንግስቲ ኣገዳስነት ሓያል ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ልዑል ምዃኑ ኣቐዲሙ እዩ ተገንዚብዎ። ካብ ናይ ዝተፈላለየ ዘመናት ታሪኽ ሩስያን ሶቭየትን ቴማታት ብምጥቃም ንመሪሕነቱ ዘሐይል ዝኽበር ሃገራዊ ሃሳብ ኣምጽአ። ሃብትን ተባሃግነትን ሃጸያዊት ሩስያ፣ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ትሕቲ ጆሴፍ ስታሊን ዝተርኣየ ጅግንነትን መስዋእትነትን ከምኡ'ውን ኣብ 1970ታት ኣብ ዘበነ ሶቭየት ዝነበረ ርግኣት ሓበንን ሓርበኝነትን ንምልዕዓል ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ተራእዮም። ሶቭየት ሕብረት፡ ብብዙሕ ህዝብታት ዝቖመት መቐጸልታ ናይ ኤምበራጦርያ ሩስያ እያ። 15 ሪፓብሊካት ዝነበርዋ ኮይኖም፤ ብክልሰሓሳብ ነፍሲ ወከፎም ከም ኣሕዋት ማዕረ መሰል ነይርወን። ኣብ ግብሪ ግና፡ ሩስያ እታ ኣዝያ ዝዓበየትን ዝሓየለትን ክትከውን እንከላ፤ ቋንቋ ሩስያን ባህልን ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዓብላሊ ነበረ። 'ግላስኖስት' ኣብቶም ካልኦት ሪፓብሊካት ዝነብሩ ብዙሓት ህዝብታት ከም ዓጸቦ ዩክረይን 1930ታት፡ ብስምምዕ ሶቭየትን ናዚን ዝተፈጸመ ወረራ ሃገራት ባልቲክን ምዕራባዊ ዩክረይን ከምኡ'ውን ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝተፈጸመ ብኣስገዳድ ምስጓግ ብዙሓት ብሄራት ዝርከብዎም ዝሓለፈ ዓሌታዊ ጭቆናታት ክነቕሑሉ ኣኽኢሉ እዩ። እዝኦምን ካልኦት ብዙሓት ፍጻመታትን ሃገራውነትን ርእሰ-ውሳነን ኣዝዩ ከም ዝብርኽ ገበሩ። ሕብረት ሶቭየት ከም ሕጉስቲ ስድራቤት ናይ ህዝብታት ዝብል ኣተሓሳስባ ኣዝዩ ተዳኺሙ እዩ ነይሩ፤ ነዚ ንምዕራይ ነተን ሪፓብሊካት ተቐላጢፍካ ዝያዳ ነጻነት ምሃብ ቅሩብ ድንጉይ ዝበለ ነበረ። እቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ እተን ኣባላት ሶቭየት ነበር ሃገራት ማእከላይ ተራን ጽልዋን ክህልዋ እትገብሮ ቃልሲ ቀጻሊ እዩ። ኣብ መንጎ ሞስኮን ሃገራት ባልቲክ፣ ጆርጅያ ከምኡ'ውን ዩክረይን ዝህሉ ዘሻቕል ዝምድናታት ንጂኦፖለቲካዊ መልክዐ-ምድሪ ኣውሮጳን ኪንዮኡን ዝጸሉ እዩ። ህዝቢ ሶቭየት ንዓመታት ምዕራብ \"ይምሽምሽ\" ከም ዘሎን ኣብ ሃገራት ምዕራብ ዝነብር ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ርእሰማላውያን መንግስትታት ብድኽነትን ሕስረትን ይሳቐ ከም ዝነበረን እዩ ዝንገሮ ነይሩ። እዚ ሓሳብ ድሕሪ መወዳእታ 1980ታት ቀጥታዊ ርክብ ኣብ መንጎ ህዝብታት እናዓበየ ብምምጽኡ በዳሂ ሕቶታት ክገጥሞ ጀሚሩ። ዜጋታት ሶቭየት ኣብ ካልኦት ብዙሓት ሃገራት እቲ ደረጃ መነባብሮ፣ ውልቃዊ ነጻነትን ድሕነትን ካብ ናቶም ዝሓሸ ከም ዝኾነ ክርእዩ ከኣሉ። እቶም መራሕቶም ንዓመታት ዓለምለኻዊ መገሻተት ብምኽልካል፡ ንናይ ወጻኢ ሬድዮታት (ንኣብነት ንቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስ) ብምዕፋንን ናብታ ሃገር ዝኣቱ ናይ ወጻኢ ጽሑፋትን ፊልምታትን ምመያ ብምክያድ ክሓብኡሎም ንዝፍትንዎ ነገራት ብዓይኖም ክርእዩዎ በቕዑ። ጎርባቸቭ ዝምድንኡ ምስ ምዕራብ ብምምሕያሽ ንዝሑል ኲናት መኸተምታ ብምግባሩን ንኒኩለራዊ ምፍጣጥ መዕለቢ ብምርካቡን ዝምጎስ እኳ እንተኾነ፡ ህዝቢ ሶቭየት ናብርኡ ምስቶም ናይ ሃገራት ምዕራብ ብምውድዳር ክሳዕ ክንደይ ኣብ ድኽነት ከምዝጸንሐ ክግንዘብ ምግባሩ ኣብ ግምት ዘይኣተወ ሳዕቤን ምምሕያሽ እቲ ዝምድና እዩ። ጎርባቸቭ ኣብ ወጻኢ ህቡብነት እኳ እንተረኸበ ኣብ ውሽጢ ግና ንዝያዳ ነቐፌታ ተቓልዐ። መንግስቲ ሩስያ ንሓበሬታታት መራኸቢ ብዙሓን ናብ ረብሓኡ ኣብ ምጥውዋይ ወሓለ እዩ ኮይኑ ዘሎ። ነቲ ዘይተርፍ ምውድዳር ምስ ሃገራት ምዕራብ ንምእላይ፡ ብዙሕ ግዜ ሩስያ፡ ብጫይ ዘይብላ፡ ክፉኣ ብዝደልዩ ዝተኸበበት፡ ብባህላዊ ኮነ ብታሪኻዊ መገዲ ከም ፍልይቲ ጌርካ ምቕራብ ይርአ። ስነፍልጠታዊ ዓወታት፣ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ምዕዋትን ባህላዊ ውርሻን ብቐጻሊ ኣብ ትረኻታት መራኸቢ ብዙሓን ይዝውተር። እዚ፡ መልእኽቲ ሃገራዊ ፍሉይነት ንምምሕልላፍን ንኣተኩሮ ሩስያውያን ካብ'ቶም መዓልታዊ ጸገማት ንምልጋስን ዝግበር እዩ። ጎርባቸቭ ቁጠባ ሶቭየትን ህዝባዊ ሞራልን ንምድሓን ሱርበተኽ ለውጢ ከም ዘድሊ እኳ እንተተገንዘበ ነዚ ብኸመይ ክወቅዖ ከም ዝኽእል ግና ንጹር ራእይ ዝነበሮ ኣይመስልን። ንዝሑል ኲናት ብምዝዛሙ ኣብቲ ናይ ደገ ዓለም ጅግና ኮነ ኣብ ዓዱ ግና፡ ነቲ ተበግሶታት ይበጽሖ ከም ዘየለ ብዝነቕፉ ደገፍቲ ጽገናን ኣዝዩ ኣብዚሕዎ ብዝብሉ ዓቃባውያንን ብድሆ ከም ውጽኢቱ ከኣ ብኽልቲኡ ደምበታት ተነጸለ። ዓቃባውያን ኣብ ነሓሰ 1991 ንጎርባቸቭ ካብ ስልጣን ንምዕላው ፍሹል ፈተነ ዕልዋ ኣካየዱ። እቲ ፍሹል ፈተነ ዕልዋ ንሕብረት ሶቭየት ኣብ ክንዲ ዘድሕን፡ ንውድቀታ ዘቀላጥፍ ኮነ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልትታት መራሒ እቲ ዕልዋ ካብታ ሃገር ከምልጥ ክፍትን እንከሎ፡ ጎርባቸቭ ናብ ስልጣኑ ተመለሰ፤ እንተኾነ ግና ንሓጺር ግዜ ጥራይ ነበረ። ኣብ ሩስያ ቦሪስ የልሲን፡ ኣብ ካልእ ክፋላት እቲ ሕብረት ከኣ ዞባውያን መራሕቲ ናብ ቅድሚት መጹ። ኣብቲ ዝሰዓበ ኣዋርሕ ብዙሓት ካብተን ሪፓብሊካት ናይ ገዛእ ርእሰን ህዝበ ውሳነ ከካይዳ እንከለዋ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዕጫ እታ ዓባይ ሃገር ተዛዘመ። ቭላድሚር ፑቲን ሓደ ካብቶም ኣብ ሩስያ ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ መራሕቲ እዩ። ሓደ ምስጢር ናይዚ ከኣ ንሩስያ ኣብ ቅድሚት ምግባሩ ወይ'ውን ከምኡ ይገብር ከም ዘሎ ምምሳሉ እዩ። ሚኻይል ጎርባቸቭ ንመብዛሕትኡ ናይቲ ብኸቢድ ዋጋ ዝተረኽበ ብርትዐ ሕብረት ሶቭየት ኣሕሊፉ ብምሃቡ፥ (ንኣብነት ሰራዊቱ ካብ ምብራቕ ጀርመን ምስሓብ) ክኽሰስ እንከሎ፤ ቭላድሚር ፑቲን ንረብሓ ሩስያ እዩ ኢሉ ንዝኣመነሉ ነገራት ብዘለዎ ኩሉ እዩ ዝቃለስ። ፑቲን መንደቕ በርሊን ክፈርስ ከሎ፡ ኣባል ኣሃዱ ስለያ ሩስያ ኬጂቢ ኮይኑ ኣብ ምብራቕ ጀርመን እዩ ነይሩ። ምዝላቕ ሕብረት ሶቭየት ዘስዓቦ ቅልውላው ከኣ ርእይዎ እዩ። ሎሚ ድሕሪ ሰላሳ ዓመት'ውን ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ - ኔቶ ናብ ዶባት ሩስያ ገጹ ክቐርብ ኣይደልን ነዚ ንምክልኻል ከኣ ሓይሊ ንምጥቃም ድልው እዩ። እዚ ሎሚ ሩስያ ሰራዊታ ናብ ዶባት ዩክረይን ብምጽጋዕ ይርአ ኣሎ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59789059"} {"headline":"ኣብ ክልል ሶማል ዝተኣሰሩ ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም","content":"ማእኸሉ ኣብ ክልል ሶማል ገይሩ ክሰርሕ ዝጸንሐ መደብር ቴሌቪዥን ነበድ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ምዕጻዉ ስዒቡ ብፖሊስ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝነበሩ ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት ናይቲ ቴሌቭዥን ትማሊ ዓርቢ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም። ብሚኒስተር ደቂ ኣንስትዮ፣ ህጻናትን መናእሰይን ኢትዮጵያ ነበር ፊልሰን ዓብዱላሂ ከምዝውነን ዝተነገረሉ መደብር ቴሌቭዥን ነበድ ሰራሕተኛታቱ ተኣሲሮም ዝተዓጸወ ብዝፈነዎ ትሕዝቶ ምኽንያት ከምዝኾነ ተገሊጹ። እቶም ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ዝኣተዉ ጋዜጠኛታት ኢብራሂም ሑሴን፣ ሰልማን ሙክታር፣ ሙሓመድ ቃሲምን ሂርሲ መሓመድን ኮይኖም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር 1 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ካብ እቲ ዝሰርሕሉ መደበር ቴሌቭዥን ከምዝተኣሰሩ ማሕበር ጋዜጠኛታት ክልል ሶማል ንቢቢሲ ገሊጹ። ኣብቲ ሽዕኡ መዓልቲ ኣቦ እታ ሚኒስተር ነበር ዝኾኑን ኣካያዲ ስራሕ መደበር ቴሌቭዥን ነበድ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ንጽባሕቱ ከምዝተፈትሑ ተገሊጹ። ንኣርባዕቲኦም ጋዜጠኛታት ናብ ቤት ፍርዲ ዘቕረበ ፖሊስ ሶማል ንቤት ፍርዲ ተወሳኺ ናይ ምርመራ ግዜ ክወሃቦ ብዝሓተቶ መሰረት 10 ተወሳኺ መዓልቲ ተዋሂብዎ’ሎ። ማሕበር ጋዜጠኛታት ክልል ሶማል ናብ ቢቢሲ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ ኣርባዕቲኦም ጋዜጠኛታት ኣብ ምርመራ ከምዝርከቡ ካብ ፖሊስ ጅግጅጋ ከምዘረጋገጸ ኣፍሊጡ። እቶም ጋዜጠኛታት ምስተኣሰሩ ብዛዕባ ድሕነቶም ንኸጻሪ ናብቲ ዝተኣሰርሉ መደበር ፖሊስ ከምዝበጽሐ ዝሓበረ እቲ ማሕበር “ኣብ ዙርያ እቲ ዝተጠርጠርሉ ገበን ምርመራ ይካየደሎም ከምዘሎ ፖሊስ ነጊሩና። ካብኡ ብተወሳኺ ፖሊስ ንጽባሕቱ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘቕርቦም ሓቢሩና” ክብል ገሊጹ ነይሩ። እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ቅልጡፍ ፍትሒ ንኽወሃቦም’ውን እቲ ማሕበር ጸዊዑ። ምኽንያት መዕጸውን ማእሰርትን መደበር ቴሌቭዥን ነበድን ጋዜጠኛታቱን ሓደ ፕሮግራም ከምዝኾነ ዝሓበረት ሓላፊት ማሕበር ጋዜጠኛታት ክልል ሶማል ኣያን ሽኩሪ ዖስማን: “ከም ማሕበር ጋዜጠኛታት ብሰንኪ ሓደ ፕሮግራም መደበር ቴሌቭዥን ምዕጻዉን ጋዜጠኛታት ምእሳርን ፍትሓዊ’ዩ ዝብል እምነት የብልናን” ኢላ። መንግስቲ ቅድሚ ነቶም ጋዜጠኛታት ምእሳሩ ክኽተሎም ዝግባእ ስርዓተ ሕጊ ከምዝነበሩን ሕጂ እውን እንተኾነ እቲ ጉዳይ ብምምሕዳራዊ ከይዲ ክፍታሕ ከምዘለዎ ኣያን ንቢቢሲ ገሊጻ። ነቶም ጋዜጠኛታት ጸዊዕኻ ምዝርራብ፣ ናይ መጠንቀቕታ ደብዳቤ ወይ’ውን ነቲ ዝተፈነው ፕሮግራም መእረምታ ክስራሕ ክቕድም ነይርዎ ዝብል እምነት ማሕበር ጋዜጠኛታት ክልል ሶማሌ ከምዝኾነ ወሲኻ ሓቢራ። “ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ነቲ ኣብቲ ክልል እንዳዓምበበ ዝመጽአ ናይ ሚድያ ነጻነት ዘቐምስል’ዩ። መንግስቲ ናጽነት ሚድያ ከኽብር፣ እቶም ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ተፈቲሖም እቲ መደበር ቴሌቭዥን ናብ ስሩዕ ስርሑ ክምለስን ንጽውዕ” ክትብል እታ ሓላፊት ተዛሪባ። ቢቢሲ ንማእሰርቲ እቶም ጋዜጠኛታት ምኽንያት ዝኾነ ትሕዝቶ ዝረኣየ ኮይኑ ተወለድቲ ክልል ሶማሌ ኣብ ካልእ ክፋል ኢትዮጵያ ዘለዎም ተሳትፎ እንታይ ከምዝመስል ዝድህስስ ኮይኑ ደሚርካ እንትርአ ደቂ ካልእ ከባቢ ኣብ ሶማል መጺኦም ክሰርሑ ይረኣዩ ሶማላውያን ግን ኣብ ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ ከይዶም ከምዘይሰርሑ ዝገልጽ’ዩ። እቶም ወሃብቲ ርእይቶ “ንኣሽቱ ንግዳዊ ንጥፈታት ብደቂ ካልእ ክልላት ስለዝተትሓዘ ሶማላውያን ተዓዘብቲ ኮይኖም ይርብሑ የለዉን” ዝብል መልእኽቲ ዝሓዘሉ’ዮም። መደበር ቴሌቭዥን ነበድ ኣብ ክልል ሱማል ቅድሚ ሒደት ዓመታት ዝተጣየሸ ብሕታዊ ናይ ውልቀ ሚድያ’ዩ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59273903"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት ዝበጽሐን ጾታዊ መጥቃዕቲ","content":"ኣብ 20ታት ክሊ ዕድመ እትርከብ እድላዊት፡ ህይወት ጋዜጠኛነት ኣሃዱ ኢላ ካብ እትጅምሮ ሓደ ዓመት'ውን ኣይመልኣን። እዚ ሞያ ገና ሓደ ኢላ ክትጅምሮ እንከላ ግን ፈተነ ጾታ መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ኣጓኒፉዋ። [እድላዊት ሓዊሱ ኣብዚ ዛንታ ታሪኸን ዝተጠቕሰ ኵለን ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት መንነተን ክግለጽ ስለ ዘየፍቀዳ ሽመንን መለለይአንን ተቐይሩ ኣሎ]። ንሓደ ስራሕ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ሓደ ክልል ከም ዝኸደት እትዛረብ እድላዊት፡ ኣብ ሞያ ጋዜጠኝነት ቀትሪ ዝኣከብካዮም ሓበሬታታት ምቅይያር፣ ካሜራን ካልእን ተዋሒስካ ንስራሕ ምውፋር ዝተለመደ ስለ ዝኾነ፡ ምሸት ሰዓት 3፡00 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ዝተዃሕኵሐ ማዕጾ ገዛኣ ንምኽፋት ኣየማትአትን። ይዅን'ምበር፡ ኣብ ጸቕጢ ኣልኮል ዝነበረ ካልእ ጋዜጠኛ ናብቲ ክፍላ ብምእታው ጾታዊ መጥቃዕቲ ንኽፍጽም ከም ዝፈተነ ትዛረብ። \"እቲ ዝነበረ ኵነታት ስለ ዘይተረድአኒ፡ ቀስ ኢለ ከም ዝረጋጋእ ብምግባር ካብ ክፍለይ ክወጽእ ገይረ፡\" ትብል። እንተኾነ ብዘይፍቓዳ ስዒሙዋን ተቓሊስዋን እዩ። ኣብቲ ኢንዳስትሪ ንነዊሕ ዓመታት ዝሰርሐት ሃና'ውን እንተኾነት፡ መሳርሕታ ብዘርእይዎም ናይ ቃላት መጥቃዕቲ፡ ከምኡ'ውን ብስራሕ ካብ እትረኽቦም ሰባት ከም ዘጋጠማን ሕጂ'ውን ዝቐጸለ ከም ዝኾነን ትዛረብ። ሓበሬታ ንምርካብ ኣጥቢቓ ክትሓትት እንተርእዮምዋ ድማ \"በዚ ኣተሓሕዛኺ ንስኺ ደው ኢልኪ ኢኺ ክትተርፊ፡\" ዝብሉ ርእይቶታት ከም ዝበጽሕዋ ትገልጽ። ዓለምለኸ ማሕበር ሓተምቲ ዜና ኣብ መፋርቕ'ዚ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብቲ መጽናዕቲ ካብ ሞንጎ ዝተሳተፋ ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት እተን 41 ሚእታዊት ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን መጥቃዕቲታት ከም ዝበጽሑወን ገሊጸን። 13 ሚእታዊት ደቂ ተባዕትዮ ድማ ግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝኾኑ ዝገልጽ እቲ ማሕበር፡ ብጠቕላላ 30 ሚእታዊት ዝኾነ ይዅን ጋዜጠኛ ግዳይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝኾነ የመልክት። ብቓላት ዝጅምሩ መጥቃዕቲታት ቢቢሲ እዚ ጸብጻብ ንምስራሕ ዘዘራረበን ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት ከም ዝበላኦ፡ እቲ ሞያ ካብ ዝጀመራሉ ግዜ ኣትሒዙ፡ ኣብ ቦታ ስራሐን ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብምቕራብ፣ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብምፍርራሕን ጉልበት ብምጥቃምን ኣካላዊ መጥቃዕቲ ገጢሙወን'ዩ። እዚ፡ ብሕጊ ኣስራሕን ሰራሕተኛን እታ ሃገር ዝተኸልከለ እዩ። ካብ ፍቓድ ዝዀነ ሰብ ወጻኢ ብዘረባ፡ ብምልክት ወይ ብኻልእ መንገዲ ወሲባዊ ትንኮያ ምርኣይ፡ ንወሲባዊ ተግባር ፍቓደኛ ክኸውን ጸቕጢ ምግባር እዩ ክብል ይድንግግ። እዚኦም ናይ ሓይሊ ተግባር ክውሰኾም እንከሎ ድማ ፈተነ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝበሃል ይሕብር። ከምዚኦም ዝበሉ መጥቃዕታት፡ ቁጠባዊ [ገንዘባዊ] ሽፋን ገይሮም ዝመጽኡ ምዃኖም እተን ጋዜጠኛታት ይዛረባ። \"ንምንታይ ናብ ቴሌቪዥን ዘየመልከተኪ። ነዚ ዝመስል መልክዕ ሒዝክስ ክትሕብኢ? ናይ መድረኽ ስራሕ ኣሎ ከስርሐኪ'የ፤ ስራሕኪ ከቕልለልኪ'የ\" ዝብሉ መታለልቲ ዘረባታት ሽፋን ዝገበሩ ትንኮያታት ብፍላይ ካብ ኣሕሉቕ ከም ዝመጽኡ ሃና ትዛረብ። እዞም መጥቃዕታት ሪፖርት ይግበሩ'ዶ? ሃሴት ኣብ እትሰርሐሉ ሓደ መራኸቢ ብዙሃን፡ ንሳን መሓዛኣን ብዘጋጠመን ጾታዊ ትንኮያ ካብቲ ትካል ወጺአን እየን። እቲ ካብ ናይ ቐረባ ሓለፍተን ዝበጽሐን ጾታዊ ትንኮያ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ክፍልጣ እንከለዋ፡ ኣክንዲ መፍትሒ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ስለ ዝቐጸለ ስራሐን ንምግዳፍ ከም ዝተገደዳ ትዛረብ። ነዚ እናርኣዩ ትም ኢሎም ዝነበሩ መሳርሕተን፡ ኣብ ልዕሊ መሓዛ ሃሴት ኣካላዊ ትንኮያ ምስ በጽሐ ጠሪዖም። ሓለፍቲ፡ ኣብ ልዕሊ ክልቲአን ጋዜጠኛታት ጾታዊ መጥቃዕቲ የብጽሑ ንዝነበሩ ሰራሕተኛታት ናይ ጽሑፍ መጠንቀቕታ ዝሃቡ ኮይኖም፡ በዚ ዝተቘጥዐ ፈጻሚ መጥቃዕቲ፡ ካብ ምጽራፍ፡ ምድሃልን ኣብ ኮምፒዩተራተን ዝነበሩ ፋይላት ክሳብ ምጥፋእን ከም ዝበጽሑ ሓቢራ። ኣብ ልዕሊ 20 ሃገራት ዘለው ልዕሊ ክልተ ሽሕ ጋዜጠኛታት ዝተሳተፍሉ መጽናዕቲ ዓለምለኸ ማሕበር ሓተምቲ ዜና፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዝያዳ ሓደ ወዲ ተባዕታይ መሳርሕታ ብዕጽፊ ንጾታዊ መጥቃዕቲ ዝተቓልዐት ምዃና ይጠቅስ። እዚኦም ካብ ቃላት ክሳብ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ክበጽሑ ከም ዝኽእሉ ክገልጽ እንከሎ፡ መጥቃዕቲ ካብ ሞንጎ ዝበጽሐን ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ እታ ሓንቲ ጥራይ እያ ሪፖርት ትገብር። 'ከምዚ ዓይነት ጸገም ገጢሙኒ' ኢልካ ንኻልእ መሳርሕትኻ ምዝራብ ዘይተለመደን እተን ግዳያት ብኻልእ ዓይኒ ክጥመታ ዝገብርን ስለ ዝኾነ መብዛሕትኦም ሪፖርት ኣይግበሩን። ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ጋዜጠኝነት ዝጸንሐት ኤልሳቤጥ ሳሙኤል፡ ኣብ ኢትዮጵኣ ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት ዝወሃበን ማሕበራዊ ደረጃን ኣፍልጦን ኣብ ግምት ብምእታው ብዛዕባ ዝበጽሐን መጥቃዕቲ ምዝራብ ስነ ልቦናዊ ጽልዋ ከም ዘሕድረለንን ኣብ ሞያዊ ቅቡልነተንን ቁጠባዊ ዓቕመንን ዝፈጥሮ ጸቕጢ ብምስጋእ ከም ዘይዛረባሉ ትገልጽ። \"እዘን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቴሌቪዥን ዝፍለጣ ወይ ብድምጸንን ሽመንን ዝፍለጣ ክኾና ይኽእላ እየን። 'ከምዚ በጺሑኒ' ክብላ እንከለዋ እቲ ፈጻሚ ዘይኮነ እተን ግዳያት እየን ዝንቀፋ፡\" ኢላ። እተን ጋዜጠኛታት፡ ሓበሬታ ንምእካብ ካብ ዝረኽባኦም ፖለቲካዊ፡ ቁጥባውን ማሕበራውን ዓቕሚ ካብ ዘለዎም ሰባት ዝተፈላለየ ዓይነት መጥቃዕታት ይበጽሐን። ብሰንኪ እዚ ስርሐን ከቋርጻን ንከቢድ ስነ ልቦናዊ ጸቕጢ ክቃልዓን ከም ዝስትውዓል ይግለጽ። ሃና፡ ደቂ ተባዕትዮ መሳርሕታ ዝደለይዎ ሓቲቶም ስርሖም ወዲኦም ኰፍ ክብሉ እንከለው፡ ንሳ ግን እቲ ስግኣታ \"ከምዚ ዓይነት ክዳን ተኸዲነ እንተኸይደስ እንታይ ክብሉኒ ይኾኑ?\" ካብ ዝብል ሕቶ ከም ዝጅምር ተረድእ። ተደራረብቲ ጸገማት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዓለም ካብተን ብሞያ ጋዜጠኝነት ንምስራሕ ኣጸገምቲ ዝኾነ ሃገራት ኣብ ቅድሚት ትስራዕ። ጋዜጠኛታት ሓበሬታ ካብ ምኽላእ ጀሚሩ ይእሰሩ፡ ይቕጥቀጡ፡ ሓሓሊፉ ድማ ይቕተሉ። ኢትዮጵያ፡ ብ2021 ካብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ንኤርትራ ስዒባ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ብምእሳር ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሳሪዓ እያ። ጋዜጠኛታት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ካብ ሕጊ ወጻኢ ንኣዋርሕ ክእሰሩ እንከለው፡ ኣብዚ ግዜ ደቂ ኣንስትዮ ንተወሳኺ ጸገማት ከም ዝቃልዓ ኤልሳቤጥ ትዛረብ። ንሳ፡ ቅድሚ ሕጂ ተኣሲራትሉ ኣብ ዝነበረ ክፍሊ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝነበራን እቲ ቦታ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ሓደ ቀጽሪ ብምዃኑ ምንጪ ከቢድ ስግኣት ኮይንዋ ከም ዝነበረን ገሊጻ። ኣብቲ ተኣሲራትሉ ዝነበረት መዓስከር ወተሃደራት፡ ቀትሪ \"ብዝተፈለየ ኣጠማምታ ክርእዩና ዝውዓሉ ሰባት ምሸት'ዶ ክመጽኡ ይኾኑ ብዝብል ስግኣት በብግደ ክንተሓላሎ ንሓድር ነይርና፡\" ኢላ። ብኻልእ ወገን፡ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ስድራቤት ክሓቱወን ኮነ ክዳነን ክቕይራ ተኸልኪሉ ብምጽንሑ ንደቂ ኣንስትዮ እሱራት ኣዝዩ ኣጸጋሚ ፈተና ኮይኑ ነይሩ ትብል። በዚ ኵነታት ኩስትሞ'ውን ከይቀየራ ምጽንሐንን መሐለዊ ጽርየት ዝዀኑ ቀረባት ምርካብ ኣዝዩ ከቢድ ከም ዝነበረን ትዝክር። ኣብዚ ግዜ ዝዀነ ዓይነት ሓገዝ ዝገበረላ ማሕበር ከም ዘይነበረት እትዛረብ ኤልሳቤጥ፡ ዓለምለኻዊ ተሓላቒ መሰል ጋዜጠኛታት ሲፒጄ ግን ጠበቓ ቘጺሩ ጋዜጠኛታት ካብ ማእሰርቲ ንኽፍትሑ ጎስጓስ ከም ዝገበረ ሓቢራ። እዚ፡ እተን ዘዘራረብናየን ጋዜጠኛታት ዝሰማምዓሉ ሓቂ እዩ። ኣብታ ሃገር፡ ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት ዘጋጥመን ጸገማት ንምፍታሕ ዝሰርሕ ሓያል ሞያዊ ማሕበር ብዘይምህላዉ እቶም ጸገማት ሕጂ'ውን ኣይተፈትሑን። ክሳብ መዓስ? ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት ብዛዕባ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዘጋጥሙወን ጾታዊ መጥቃዕታት ክዛረባ ጸኒሐን እየን። እቲ ኣብ ግብጺ፡ ኣደባባይ ታሕሪር ዝነበረ ህዝባዊ ናዕቢ ንምጽብጻብ ኣብ ልዕሊ ዝወጽአት ጋዜጠኛ ላራ ሎጋን ብሰልፈኛታት ዝበጽሓ ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣይርሳዕን። ላራ፡ ካብ 200 ክሳብ 300 ዝዀኑ ሰልፈኛታት ካብ ሓላዊኣን እቲ ምስኣ ዝነበረ ኣዳላውን መንዚዖም ብምውሳድ ክዳና ቀዲዶም ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዘብጽሑላ ገሊጻ ነይራ። በዚ ምኽንያት፡ ካብ መዓልታዊ ንጥፈታት ወጻኢ ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት ናብ ጎንጽታትን ዓመጻትን ብምኻድ ጸብጻባት ክሰርሓ ኣጸጋሚ ከም ዝዀነ ተራእዩ እዩ። ኣብ ልምዓት ሚዲያ እትሰርሕ ኤልሳቤጥ ሳሙኤል፡ ምምሕዳር መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ንደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣካላዊ ጉድኣትን ናይ ብሄር ተዋጽኦን ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን ኢላ ትኣምን። ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት፡ ክቝጸራ እንከለዋ ኣትሒዙ ሓለፍተን ኣብ ልዕሊአን ድልየት ከም ዘሕድሩን እዚ ድማ ኣብቲ ኢንዳስትሪ ዘሎ ቑጽሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣዝዩ ውሑድ ክኸውን ከም ዝገበረን ተረድእ። \"ኣብዛ ሃገር፡ ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት መርኣያ ገይረን ክርእየአን ዝኽእላ ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት የለዋን፡\" ትብል። እቶም ኣስራሕቲ ትካላት ሓያል ፖሊሲ ሚዲያ ከውጽኡ ምግባር መፍትሒ ከም ዝዀነ እትዛረብ ኤልሳቤጥ፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ኣድልዎ ዘትርፍ ፈጸምቲ መጥቃዕቲ ዝቐጽዕ ኮይኑ ክጽሓፍን ክትገብርን ይግባእ ኢላ። \"ንስርዓተ ጾታ ኣብ ግምት ዘእተወ ፖሊሲ መራኸቢ ብዙሃን ንኸውጽኡ በዓል መዚ መራኸቢ ብዙሃን መሪሕ ግደ ክጻወት ኣለዎ። ካብኡ ሓሊፉ ግን ወነንቲ እተን ትካላት፡ ሞያዊ ማሕበራትን ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታትን ሓለዋ ክገብረለን ዝኽእል ፖሊሲ ንኽህሉ ክሰርሓ ይግባእ፡\" ብምባል ተረድእ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61404120"} {"headline":"ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ሶማልያ ናይ ቪዛ እገዳ ክትገብር እያ","content":"መንግስቲ ኣመሪካ፡ ዴሞክራሲያዊ ዕንቅፋት ፈጢሮም ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ሰብ መዚ ሰማልያ ናይ ቪዛ እገዳ ከም ዝገብር ኣፍሊጡ። ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን እቲ ስጉምቲ ኣንጻር ተቓወምቲ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ንዝወሰዱ ዘለው መራሕቲ ትኹረት ከም ዝገብር ሓቢሩ። ኣብ ሶማልያ፡ ሓፈሻዊ መረጻ ክካየደሉ ካብ ዝግባእ ሓደ ዓመት ኣሕሊፉ'ሎ። ዕምሪ ስልጣን ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ካብ ዘብቅዕ'ውን ሓደ ዓመት ተቖጺሩ። ኣንቶኒ ብሊንከን ምኽንያታዊ ዘይኮነ ማእሰርቲ ዝፍጽሙ፣ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ተቓወምቲን ጸቕጢ ዝገብሩን ኣብ መስርሕ እቲ መረጻ ምትዕንቓፍ ዝፈጥሩን ናይ ቪዛ እገዳ ከም ዝግበረሎም ኣብሪሁ። እዚ ንናይ ቐረባ ኣባላት ስድራቤት እቶም ሰብ መዚ'ውን ዝምልከት ምዃኑ ሓቢሩ። \"እቲ እገዳ መስርሕ መረጻ ክተዓናቐፍን ኣብ ዝተትሓዘሉ ግዜ ተኣማንነቱ ሓሊዩ ንክካየድ ሓላፍነቶም ንዘይተዋጽኡን ዝምልከት እዩ\" ኢሉ። ኣመራርሓ ክልልን ፌደራልን ሶማልያን'ውን እቲ መረጻ ተኣማንን ግልጽን ኮይኑ ክካየድ ክገብሩ ምተገብአ ነይሩ ኢሉ። ይኹን'ምበር ሃገሩ ኣብ ሶማልያ ዴሞክራሲ ንክዓስል እትገብሮ ምትሕብባር ቐጻሊ ምዃኑ ሓቢሩ። ፕረዚደንት ፋርማጆ ነቲ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣናዊሑ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ምውሳኑ ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ቅልውላው ሰፊኑ ይርከብ። ኣብዚ ወርሒ 27 ለካቲት ድማ ባይቶኣዊ መረጻ ተኻይዱ ናብ ፕረዚደንታዊ መረጻ ክትሰጋገር ትጽቢት ኣሎ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60284575"} {"headline":"ንፎክስ ኒውስ ዝሰርሑ ክልተ ጋዜጠኛታት ኣብ ዩክረይን ተቐቲሎም","content":"ንማዕከን ዜና ፎክስ ኒውስ ዝሰርሑ ክልተ ጋዜጠኛታት ኣብ ዩክረይን ከምዝተቐተሉ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ገሊጾም፡፡ ወዲ 55 ዓመት በዓል ሞያ ካሜራ ፔረ ዘክራዘውሰኪን ጓል 24 ዓመት ኦሌክሳንድራ ኩቭሺኖቫን ኣብ ጥቓ ኪቭ ናብ መኪነኦም ብዝተተኮሰ ኣጽዋር እዮም ተቐቲሎም፡፡ ወዲ 39 ዓመት መሳርሕቶም ቤንጃሚን ሃል ድማ ቆሲሉ ኣብ ሆስፒታል ይእለ ኣሎ፡፡ ኣካያዲት ስራሕ ፎክስ ኒውስ ሱዛኒ ስኮት፡ ነቲ ትካል ‘‘ልቢ ዝሰብር መዓልቲ እዩ’’ ክትብል ገሊጻ፡፡ ንሳ \"ፔረ ካብ ዒራቕ ክሳብ ኣፍጋኒስታንን ሶርያን ዝነበሩ ዓለም ለኻዊ ፍጻመታት ንፎክስ ኒውስ ዝሰነደ ናይ ኲናት ዞባ ፎቶግራፈር ነይሩ’’ ብምባል ብተወፋይነትን ተውህቦን ተወዳዳሪ ዘይነበሮ ጋዜጠኛ ምንባሩ ተዛሪባ፡፡ ናይ ፎክስ ኒውስ ናሽናል ሰክዩሪቲ ኮረስፖንደንት ጀኒፈር ግሪፊን ድማ፡ እታ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ሓቢራቶም ዝሰርሐት ኩቭሺኖቫ ንፍዕቲ ጋዜጠኛ ምንባራ ብምግላጽ ‘‘ብቃላት ዘይግለጽ’’ ሓዘን ከምዝተሰመዖም ተዛሪባ፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣየርላንድ ሚሸል ማርቲን ብሞት ኩቭሺኖቫን ናይ ኣየርላንድ ዜጋ ዝኾነ ዛክርዘዊስኪን ኣዝዩ ከምዝተረበሸ ተዛሪቡ፡፡ በቲ መጥቃዕቲ ቆሲሉ ኣብ ሕክምና ዝርከብ ሃል እውን ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዘሎ ኣማኻሪ ሚኒስትሪ ውሽጺ ዓዲ ዩክረይን ብሰኑይ ገሊጹ ነይሩ። ካብ 2015 ጀሚሩ ንፎክስ ኒውስ ክሰርሕ ዝጸንሐ ቤንጃሚን ሃል ናይ ዩኬን ኣመሪካን ዜግነት ዘለዎ ኮይኑ ኣብ ጸብጻባት ወጻኢ እቲ ትካል ብበዝሒ ከምዝተሳተፈ ተሓቢሩ፡፡ ብሰንበት እውን ወዲ 50 ዓመት ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ብረንት ሪናውድ፡ ኣብ ዩክሬናዊት ከተማ ኢርፒን ከምዝቐተለ ዝዝከር እዩ፡፡ ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ባይቶ ዩክረይን ከምዝሓበሮ፡ እቲ ጎንጺ ካብ ዝጅመር ብውሑድ ካልኦት ክልተ ዩከሬናውያን ጋዜጠኛታት እውን ተቐቲሎም እዮም፡፡ ብተመሳሳሊ ዜና ጸሓፊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብሞት እቶም ጋዜጠኛታት ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊጹ፡፡ ንሱ ‘‘ጽንዓት እምነ፤ ኣብቲ መጥቃዕቲ ጉድኣት ንዝበጸሖ ወኪል ስቴት ዲፓርትመንት እውን ቀልጢፉ ክሓዊ እምነ’’ ክብል ኣብ ትዊተር ገጹ ሓቢሩ፡፡","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60763094"} {"headline":"ሩስያ ኣብ ሞስኮ ዝርከብ መደብር ዶቼ ቬለ ምዕጻዋ ንጀርመን ኣቖጢዑ","content":"ሩስያ ኣብ መስኮ ዝርከብ ዓለም ለኸ መደብር ቴሌቪዥን ዶቼ ቬለ ምዕጻዋ፡ ጀርመንን ሕብረት ኣውሮጳን ኮኒኖም። ሰራሕተኛታት ዶቼ ቬለ ናይ ፕሬስ ፈቓድ ዝተሓድጉ ኾይኖም፡ እቲ መደብር ቴሌቪዥን ኣብታ ሃገር ሓበሬታ ከይዝርጋሕ ተኸልኪሉ። ሚኒሰተር ባህሊ ጀርመን ነቲ ስጉምቲ፡ “ብዝኾነ መልክዑ ተቐባልነት የብሉን” ክብል ኮኒንዎ። ቅድም ኢሉ፡ ተቖጻጸርቲ መራኸቢ ብዙሃን ጀርመን ብናይ ቀደም ስሙ ሩሲያ ቱዴይ (ኣርቲ) ናይ ሰርቢያ ፈቓድ ይጥቀም እዩ ብዝብል ዝዓጸው ኾይኖም፡ ሩስያ ነዚ ዓጸፋ ምላሽ ምዃኑ እያ ትካታዕ። ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፡ ማሪያ ዛካሮቫ፡ ንክልቲአን ሃገራት ዘተዓርቕ ዝበለቶ ሓሳብ ብዓርቢ ዘቕረበት ኾይና፡ “ጀርመን ነቲ ኩነታት ክተሰተኻኽል እንተ ፈቲና ሩስያ’ውን ብወገና ዘይተዕርየሉ ምኽንያት የለን” ክትብል ተናጊራ። ኣርቲ ብቋንቋታት እንግሊዝኛ፣ ፈረንሳይኛን ብስፓኒሽን መደብራት ዝኸፈተ ኾይኑ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ታሕሳስ ብቋንቋ ጀርመንኛ፡ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ኣፍልጦ ወጻኢ ካብ ሰርቢያ ፍቓድ ቻነል ወሲዱ እናተጠቐመ ይርከብ ነይሩ። ኣርቲ ንሩሲያ መሳርሒ ፕሮፓጋንዳ ኮይኑ ዘገልግል እንትኸውን፡ በዓልመዚ ወሃቢ ፍቓድ ጀርመን [ዛክ] እቲ መደብር ጣብያ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ፈቓድ የብሉን ኢሉ እዩ ኣጊድዎ። በዚ ምኽንያት እቲ መደብር ቴሌቪዥን ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ካብ ሳተለይት ኔትወርክ ኣውሮጳ ክእለ ተገይሩ እዩ። ኣርቲ ኣብ ናይ እንግሊዝኛ መደብሩ ጸገም ኣጋጢምዎ እዩ። ተቖጻጸሪ ኣፍኮም ዩናይትድ ኪንግደም “ኣድልዎ ሰሪሑ” ብዝብል ናይ 200 ሺሕ ፓውንድ መቕጻዕቲ በይንሉ እዩ። ዋና ዳይሬክተር ዶቼ ቬለ ፒተር ሊምበርግ፡ ሩሲያ ነቲ ቤት ጽሕፈት እቲ መደብር ንምዕጻው ምውሳና ደረቱ ዝሓለፈ ስጉምቲ እዩ ኢለዎ። “እዚ ድማ መንግስቲ ሩሲያ ንነጻነት ፕሬስ ከመዘየኽብር መርአያ እዩ” ኢሉ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዶቼ ቬለ ኣብ ሞስኮ፡ ቢሮጁሪ ሬሼቶ፡ ብዓርቢ ካብ ንጎሆ ጀሚሩ እቲ ቤት ጽሕፈት ክዕጾ እዩ ዝብል ዘረባ ከምዘሰንበዶ ገሊጹ፡ “ብዙሓት ዘይተመለሱ ሕጋውን ቴክኒካውን ሕቶታት ኣለዉ፡ ፍቓድና ከምዝተመልሰ ጥራይ ኢና ንፈልጥ” ድማ ኢሉ። ካልኦት መራኸቢ ብዙሓን ድማ ንዶቼ ቬለ ድጋፎም ዘስምዑ ኾይኖም፡ ፌዴሬሽን ጋዜጠኛታት ጀርመን ብወገኑ፡ እቲ እገዳ ብህጹጽ ክለዓል ሓቲቱ ኣሎ። ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፡ ንዶቼ ቬለ ‘ወኪል ሃገራት ወጻኢ’ ብዝብል ክብይን ዝጀመረ ኾይኑ፡ ከም ልማድ እዚ ኣጠቓቕማ ኣብ ሶቭየት ሰልፍታት ተቓውሞ ንምዕፋን ዝጥቀምሉ መይላ ኣገላልጻ ከምዝኾነ ይንገር። ኣብ ቀረባ እዋናት፡ ሰበ ስልጣን ሩስያ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ኣባሪሮም፤ ትካላት ሚድያ’ውን ዓጽዮም ኣለዉ። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣብ ሩሲያ፡ ኣንድሬ ዛካሮቭ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት “ወኪል ወጻኢ” ተባሂሉ ዝተበየነ ኾይኑ፡ ካልእ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሳራ ራይንስፎርድን ሆላንዳዊ ጋዜጠኛ ቶም ቬኒንክን ድማ ካብታ ሃገር ምብራሮም ዝዝከር እዩ። 'ሜሞሪያል' (መዘከርታ) ብዝብል ዝፍለጥ፡ ሓደ ካብ ጥንታዊ ማሕበራት ሰቪክ መሰላት ሩስያ ድማ ተዓጽዩ ኣሎ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60280045"} {"headline":"ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ኵናት ኣብ ምስፍሑ ዝስዕብ ዘሎ ምጥርጣርን መስዋእትን","content":"ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ዓሰርተታት ዝኾኑ ወለንታውያን መንእሰያት ብለይቲ ውሕስነት ከባቢኦም ንምርግጋጽ መካይን ደው ኣቢሎም ክፍትሹን መንነት ሰባት ክሓቱን ተራእዮም ነይሮም። ነቲ ናይ ተፍትሽ ስርሓት ዘወሃህድ ዝነበረ ሓደ ዓቢ ሰብኣይ \"ኣብዛ ናትና ብወለንታ ተፍተሽ ተካይድ ዘላ ጉጅለ ክሳብ 180 ዝኸውን ዓቕሚ ሰብ ኣለና፡ ብዙሓት ሰባት ሒዘና ኣለና፡ ብረትን ተባራዒ ነገርን ዝርከቦ ብዙሕ ንብረት ክንሕዝ ክኢልና ኢና\" ኢሉ። እቶም ኣብ ጎደናታት ወጺኦም ተፍትሽ ዘካይዱ ዝነበሩ ወለንታውያን፡ ብመሰረት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣወጆ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ምርኩስ ብምግባር ንኣባላት ህወሓትን ደገፍቶምን ንምርካብ ነቲ ተፍትሽ የካይድዎ ምንባሮም እዮም ዝገልጹ። ብዙሓት፡ ኣሽሓት ሰባት ብዘይፍትሓዊ ኣገባብ ይእሰሩ ከምዘለዉ ብምግላጽ ነቲ ተግባር'ኳ ይቋወምዎ እንተኾኑ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ነቲ ምእሳር ዝድግፍ ሰብ ይበዝሕ። ሓደ ሰብ ብሃንደበት ኣብ ሞባይል \"ቀልጥፉ ክሃድም ይፍትን ኣሎ\" ኢሉ እናተዛረበ ይስማዕ። ካብቲ ናይ ተለፎን ምዝርራብ ዝካየደሉ ዝነበረ ቦታ ብዙሕ ከይረሓቅካ፡ ዝበዝሑ ዓበይቲ ዝርከብዎም ብወለንትኦም ተኣኪቦም ምረሻ ወተሃደራዊ ተዓሊም እናወሰዱን ንዝውሃቦም ትእዛዝ እናተግበሩን ይርኣዩ። ብሓፈሻ ኣብ መላእ ኣዲስ ኣበባ ነገራት ብተዛማዲ ህድእ ዝበለ ይመስል። ዋላ እኳ መንግስታት ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራትን ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ገጾም ይቐርቡ ኣለዉ ብምባል ኩነታት ጸጥታ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ይወርድ ምህላዉ እንተገለጻ፡ ኢምባሲ ሩስያ ኣብ ኢትዮጵያ ግን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ካብዚ ዝተፈለየ መልእኽቲ እዩ ኣመሓላሊፉ። እቲ ኢማባሲ \"መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣወጆ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣብ መዓልታዊ ምንቅስቓስ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ዘምጽኦ ኣሉታዊ ተጽዕኖ የለን\" ኢሉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ናብ ግምባር ብምዃድ ንሰራዊት ብምምራሕ ነቲ ኵናት ከምዘካይዶ ምግላጹ ይዝከር። ብቪድዮ ተሰንዩ ኣብ ዝወጽአ ሓበሬታ'ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሓውሲ ድርቕ ዝበለ ከባቢ ክልል ዓፋር ወተሃደራዊ ክዳን ለቢሱ ብወተሃደራት ተዓጂቡ እንከሎ ተራእዩ። ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ቪድዩ \"ሕጂ ነዚ ከባቢ ምሉእ ንምሉእ ክንቆጻጸሮ ክኢልና ኣለና\" ኢሉ ክዛረብ እንከሎ ይስማዕ። ብምስዓብ \"ፍናን ናይ ሰራዊትና ኣዝዩ ጽቡቕ እዩ ዘሎ፡ ኢትዮጵያ ክሳብ ምሉእ ንምሉእ ነጻ ትኸውን ክንቅጽል ኢና\" እውን ኢሉ። ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሰራዊቱ ብዙሓት ከተማታት ካብ ኢድ ሰራዊት ሓይልታት ትግራይ ንምልቓቕ ይሰርሑ ምህላዎም ገሊጹ። እንተኾነ ኣብቲ ከባቢ መስመር ቴሌፎን ተቋሪጹ ብምህላዉ ሓቅነት እቲ ዝብሃል ዘሎ ምርግጋጽ ኣይክኣልን እዩ። ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ወጻኢ ዝኾነ ሰብ ብዛዕባ ውዕሎ ውግእን ምንቅስቓስ ሰራዊት ንማዕከናት ዜና ሓበሬታ ከይውሃብ ኣዋጅ ስለዘመሓላለፈ ሓበሬታ ምርካብ ከቢድ ይገብሮ። ኣብ ቀረባ ግዜ ብድሮን ዝተሰኣለ ምስሊ ኣሽሓት 'ምሩኻት ኵናት' ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዘርግሑ ሰብ መዚ ህወሓት ነቲ ኵናት ላዕለዋይ ኢድ ብምሓዝ ይቅልስዎ ከምዘለዉ ብምሕባር፡ ነታ ቅድሚ ኣዲስ ኣበባ ምብጻሕካ ናይ መወዳእታ ናይ መከላኸሊ ዕርዲ ምዃና ዝግለጸላ ከተማ ደብረ ብርሃን ንምሓዝ ይግስግሱ ምህላዎም'ዮም ዝገልጹ። ገለ ተንተንቲ ግን ሓይልታት ትግራይ ልዕሊ ዓቐን ተመጢጦም ብምህላዎም ሰራዊት ፈዴራል ብመልሰ መጥቃዕቲ ክደፍኦም ከምዝኽእልን ምናልባት'ውን ብወገን ኤርትራ መጥቃዕቲ ክፍነዎም ከምዝኽእል እዮም ግምታት ዘቐምጡ። መን እንታይ ዓይነት ዓወታት የመዝግብ ኣሎ ብዘየገድስ፡ እቲ ኩነታት ናብ ብዙሕ ከባቢታት ይልሕም ምህላዉን ሰብኣዊ ቅለውላው ህዝቢ ኢትዮጵያ እናዛየደ ይምጽእ ምህላዉን ግልጺ እዩ። ውድብ መግቢ ዓለም፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብገምጋም 9.4 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ህጹጽ ሓገዝ ኮይኖም ምህላዎም ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ኣሎ። ኣብ ትግራይ ጥራይ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ንሓደጋ ጥሜት ከምዝተሳጥሑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምግላጹ ዝዝከር እዩ፤ ብሰንኩ ድማ ሞትን ሕማምን ይስዕብ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ። ላዕለወይቲ ብዓልቲ መዚ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ክላረ ነቪል ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ \"ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ እቲ ኵናት ናብ ብዙሕ ከባቢታት እናልሓመ ኣብ ዝኸደሉ፡ ቁጽሪ ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኤት ክውስኽን ሰባት ናብ ምሒር ዝኸፈአ ኩነታት ክወድቁን ኢና ንርኢ ዘለና\" ኢላ። ንሳ ነቲ ንሰብኣዊ ቅልውላው ዘባኣእሶ ዘሎ ብዙሕ ሮቋሒታት ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ውሱን ከባቢታት ጥራይ ይበጽሕ ብምህላዉ፡ ሓይልታት ትግራይ ዝወስድዎ ዘለዉ መጥቓዕቲ፡ ስእነት ጸጥታን ብሰብ መዚ ኢትዮጵያ ዝግብር ዘሎ ቢሮክራስያዊ ምድንጓያት ገለ ካብቶም ጠንቅታት ምዃኖም ገሊጻ። እንተኾነ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ናብ ክልተ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሓይልታት ትግራይ ዝርከባ ከተማታት ኣምሓራ ክኣቱን ሰብኣዊ ሓገዛት ከብጽሕን ከምዝኽኣለ ገሊጹ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ነቶም ብወለንትኦም ናብ ኵናት ክሳተፉ ዝተበገሱ ብጽንበል ንምፍናው ተደጋጋሚ ህዝባዊ ምትእኽኻባት ክገብር ይረአ እዩ። ኣባል ቤት ምኽሪ ኣዲስ ኣበባ ኢትሳ ደማ \"ኣንጻር ከዳዓትን ናይ ወጻኢ ደገፍቶምን ኢና ኵናት ገጢምና ዘለና\" ኢሉ። ወዲ 22 ዓመት ባቡሽ ሲቶታው ብወገኑ \"ንኽብሪ ሃገረይ ክዕቅብ ንክቃለስ እየ ተጸዊዐ፡ ሓደ ኣባል ቤተ ሰብካ እንተተቐቲልካ ክትበኪ ትኽእል ኢኻ፡ ሃገርካ እንተስኢንካ ግን ናበይ ክትከይድ ትኽእል? እዚ ስለዝኾነ'የ ህይወተይ ክስውእ ድሉው ዘለኹ፡ ወተሃደራዊ ታዓሊም ዘይምውሳድና'ውን ኣይፍርሓንን'ዩ\" ኢሉ። ወይዘሮ ድንቅነሽ ንጋቱ ዝተብሃለት ሰያብ ሰበይቲ'ውን ናብ ቅድሚ እቲ ዝተኣከበ ህዝቢ ቅርብ ብምባል \"ንሃገረይ የፍቅራ'የ፡ ናብ ግምባር ክኸይድ ምፈተኹ፡ ወደይን ብዓልቤተይን ናብ ግንባር ይኸዱ ስለዘለዉ ግን ኣብ ገዛ ክጸንሕ ኣገዲዶሙኒ\" ኢላ። ወይዘሮ ድንቅነሽ ንጋቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል \"እንተኾነ ዋላ ማዕረ እቲ ብዓል ቤተይን ወደይን ዝገብርዎ ኣይኹን ብወለንታይ ከባቢየይ ኣብ ምሕላው ተዋፊረ ኣለኹ፡ ኣብ ጎደና መንእሰያት ክርኢ እንከለኹ ኪዱ ተቃለሱ ይብሎም፡ ክሳብ መጺኦም [ጸላእቲ] ዝቐትሉና ክንጽበ የብልናን\" ኢላ። ሓንቲ ካብ ሓለፍቲ ሰልፊ ብልጽግና ዝኾነት ኣይዳ ኣዎል ንሕቆ ወይዘሮ ድንቅነሽ ንጋቱ እናጠብጠበት \"ንብዙሓት መርኣያን ኣብነትን እያ\" ብምባል ኣድናቖታ ገሊጻትላ። ኣይዳ ኣዎል ብምስዓብ \"ብዙሓት መንእሰያት ኣብነታ ክኽተሉ ኢና ትጽቢት ንገብር፡ መንፈሳዊ ሓይሊ ኢትዮጵያ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ሕጂ ጥርዚ በጺሑ ኣሎ፡ ልዕሊ ሸውዓት ሽሕ [ካብ ክፍለ ከተማ ኣራዳ ናይ ኣዲስ ኣበባ] ብወለንትኦም ንሃገሮም ክሕግዙ ተበጊሶም ኣለዉ\" ኢላ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሃገራት ምዕራብን ማዕከናት ዜናአንን ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዘይመልክዑ ንምሓዝ ጎስጓስ የካይዳ ኣለዋ ብምባል እዩ ዝኸስስ። ብዙሓት ኢትዮጵያውያን'ውን ንሓሳብ መንግስቶም ብምድጋፋ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ሃገራት ምዕራብ ንሃግሮም ብምንእኣስ ንዓወታት ህወሓት ኣግዚፍካ ብምቅራብ 'መግዛእታዊ' ሓይሊ የርእያ ከምዘለዋ ዝገልጽ ጽሑፋት ይዝርግሑ ኣለዉ። ንነብሱ ከም ነቃፊ መንግስትን ተኸላኻሊ ልኡላውንተ ሃገሩን ገይሩ ዝገልጻ ተንታዊ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣቻምየለው እውነቱ \"ብክልተ ግንባር ኢና ንህረም ዘለና፡ ብድሕረ መግዛእቲ ዝሰዓበ ብኸም ብዓል ቢቢሲ ዝግበር ስኑዕ ሓበሬታ ምዕራባውያን ሃገራትን ብህወሓት ዝተኣወጀልና ህልቂታዊ ኵናትን\" ብምባል ይዝርዝር። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብቢቢሲ ዝቐረበሉ ሕቶ ቃለ መሕታት ብተደጋጋሚ ነጺግዎ እዩ። እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ውሽጢ ሃገርን ናይ ደገን ማዕከናት ዜና ብምዕጻውን ሓበሬታ ከምዘይረኽባ ብምግባርን ብተደጋጋሚ ይንቐፍ እዩ። እቲ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ፖሎቲካውያን እሱራትን ዝተኣሰሩ ጋዜጤኛታትን ብምፍታሕ ዝተወደሰ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሕጂ ግን ኣብ ልዕሊ ሚድያታት ብዝፍንዎ ዘሎ ናይ መፈራርሒ ቃላት ይንቀፍ ኣሎ። ቢቢሲ፡ ብዛዕባ እዚ ዞባን ብዛዕባ መላእ ዓለምን ናጻ፡ ቅኑዕን ዘይሻራውን ጸብጻብ የቕርብ ከምዘሎን ክገልጽ ይፈቱ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59456589"} {"headline":"ብዙሓት ጋዜጠኛታት ሩስያ ወራር ዩክረይን ብምቅዋም ስረሖም ኣቋሪጾም","content":"ማሪና ኦቪዢንኮቫ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ናይ ለይቲ ዕለታዊ ዜና፡ ኣብ ቀጥታ መደብ መንግስታዊ ቴለቭዥን ተቓውሞ ምስ ኣስመዐት፡ ጸጥ ዝበለ ነገር ዝነበረ ኾይኑ፡ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ስረሖም ከቋርጹ ክኢሎም። ፕረዚደንት ዩክረይን፡ ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ንፕሮፖጋንዳ ሩስያ ዝሰርሕ ዝኾነ ጋዜጠኛ ስርሑ ክለቅቕ ጻውዒት ብምግባር፡ ነታ ጋዜጠኛ ናእድኡ ገሊጹ ኣሎ። ንሱ፤ ዝኾነ ነዚ ኲናት ደጊፉ መሳርሒ ገበናት ፕሮፖጋንዳ ዝኾነ ሰብ፡ ዓለምለኻዊ ማዕቀባትን ሕጋዊ ተሓታትነትን ከምዝስዕቦ እዩ ዘጠንቅቕ። ገለ ካብቶም ንፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን እናወደሱ ዝውዕሉ፡ ከም ቭላድሚር ሲሎቭዮ ዝተብሃለ፡ ኣብ ሓደ እቲ ዝዓበየ መንግስታዊ መደብር ቴለቭዥን እታ ሃገር [ቻነል ሮዘስያ-1] ሾው ዘቕርብ ድሮ'ኳ፡ ማዕቀብ ተነቢርሉ ይርከብ። ካልእ ማዕቀብ ዝተነብረላ ጋዜጠኛ ድማ፤ ማርጋሪታ ሳይሞንያን እትብሃል ኮይና፤ ብቅሉዕ 'ኣብዚ ሕዚ እዋን ንሩስያ ዘይድግፍ ክሓፍር ይግበኦ' ዝበለት እያ። ብመንግስቲ ሩስያ ዝውነና ማዕከናት ዜና እታ ሃገር፡ እቲ መንግስቲ ዝብሎ ጥራይ ከጋውሓ እየን ዝግደዳ። ማሪና ኣብ ቴሌቪዥን ኣብ ናይ ቀጥታ ፈነወ ወጺኣ፡ ተቓውሞ ምስ ኣስመዐት፡ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ሰለስተ ጋዜጠኛታት ስረሖም ከምዝለቐቑ ኣፍሊጦም ኣለዉ። ዣና ኣጋላኮቫ፡ ኣብ ቻነል ዋን ወኪል ዜና ኣውሮጳ ዝነበረት ኮይና፡ ካብቶም ቀዳሞት ስረሖም ጠጠው ዘበሉ ሓንቲ እያ። ካልኦት ክልተ ጋዜጠኛታት ድማ፡ ኤንቲቪ ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይቲ ቀዳማይ ተነሓናሓይ ከም ዝኾነ ዝእመነሉ መደብር ቴሌቪዥን፡ ስረሖም ጠጠው ከምዘበሉ ኣፍሊጦም። ሊሊያ ጊልደያቫን ኤንቲቪ፡ ኣብ ኤንቲቪ፡ ካብ 2006 ጀሚራ ከም ኣቕራቢት ዜና ኮይና ዝሰርሐት ኮይና፡ ቫዲም ግሉስከር ድማ፡ ኣብኡ ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝጸንሐ ነባር ጋዜጠኛ እዩ። እቲ ወረታት ጋዜጠኛታት ምእዳምን ስራሕ ምልቃቕን ኣፍደገ 'ኦል ስቴት ቲቪ' ብዝብል ዝፍለጥ'ውን ኣንኳሕኹሕ ኣሎ ተባሂሉ። ጋዜጠኛ ሮማን ሱፐር፡ ብዙሓት ካብቲ መደብር ዜና ስረሖም ይገድፉ ኣለዉ ትብል፤ እንተኾነ ኣይተረጋገጸን። ስርገይ ብሪለቭ፡ ሓደ ካብቶም ኣብዚ መደብር ቴሌቪዥን ኣዝዩ ፍሉጥ ኣቕራቢ ዜና ኾይኑ፡ ስራሕ ለቒቑ ተባሂሉ ንዝቐረቡ ጸብጻባት ነጺጉ ተባሂሉ። ንሱ ከምዝብሎ፡ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ዓመታዊ ዕረፍቲ ወጺኡ 'ምበር ስራሕ ኣይለቐቐን። ዛጊድ ነቲ ኲናት ብምቅዋም፡ ስራሖም ካብ ዝገደፉ ጋዜጠኛታት፡ ማርያ ባሮኖቫ፡ እታ ኣዝያ ኣብ ዝለዓለ ብርኪ ዝነበረት ጋዜጠኛ ምዃና ይዝረብ። ቅድም ክብል ሩስያ ቱደይ ብዝብል ዝፍለጥ ዝነበረ፡ ሕዚ ድማ ኣርቲ ሚድያ፡ ዋና ኣሰናዳኢት ዝነበረት ማርያ፡ ንቢቢሲ ከምዚ ክትብል ተዛሪባ። \"ሚስተር ፑቲን ክብሪ ሩስያ ኣዝዩ ሃስዩዎ እዩ። ቁጠባ እታ ሃገር ድማ ዳርጋ ሞይቱ እዩ ምባል ይከኣል።\" ካልኦት ኣብቲ መደብር ቴለቪዥን ዝሰርሑ ዝነበሩ ዜጋታት ወጻኢ ጋዜጠኛታት'ውን ለቒቖም ኣለዉ ተባሂሉ። ወኪል ዜና ኤንቲቪ ዝነበረት፡ ሻኢዳ ኤድዋርድስ-ዳሽቲ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኣብ ዝጀመረትሉ መዓልቲ እያ ስራሓ ጠጠው ኣቢላ። ምኽንያታ ግን ዛጊድ ኣየብረሀትን። ጆኒ ቲክል፡ ዝተብሃለ ኣብ ሞስኮ ኾይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ጋዜጠኛ ድማ፡ 'ብሰንኪ እዋናዊ ኩነታት' ብዝብል ጉልባብ፡ ስርሑ ጠጠው ምባሉ ይዝረብ። መደብ ፈረንሳይኛ ዘቕርብ ዝነበረ፡ ፍረደሪክ ታዲ ድማ፡ ሃገረይ ነዚ ኲናት ስለዝተቓወመት፡ ኣብዚ ስራሕ እንተቐጺለ ከም ክሕደት እየ ዝቖጽሮ ብዝብል ምኽንያት ስርሑ ጠጠው ከምዘበለ ተፈሊጡ። መዓልታት ጸኒሑ፡ ሕብረት ኣውሮፓ ብዘተፈላለዩ ቋንቋታት ዝዝርግሑ መደባት ኣርቲ 'ሕሶትን ስኑዕ ዜናን ብምንዛሕ' ብዝብል ከይስምዑ ከልኪሉ ኣሎ። ሮይተርስ ከምዝበሎ፡ ካብ ጀርመን ዝፍኖ ዝነበረ መደብር ቴሌቪዥን ሩስያ ኣብዝሓ ጋዜጠኛታቱ ስረሖም ለቒቖም ኣለዉ። ንመንግስቲ ዘይሰርሑን ንነጻ ፕሬስ ዝቃለሱን ጋዜጠኛታት ሩስያ፡ ብተደጋገሚ ንመንግስታዊ ጥቕዓት ተቓሊዖም ዝጸንሑ ኾይኖም በቲ ሕዚ ዝረአ ዘሎ ምልቃቕ ስራሕ መንግስታዊ ጋዜጠኛታት፡ ብዙሕ ስምዒት ኣይፈጠረሎምን። ኣብዝሓ፡ ከምቲ ኣብ እዋን ሕብረት ሶቬት ዝነበረ ኣገላልጻ፡ 'መሳርሒ ሓይልታት ወጻኢ' ዝብል ብየና እዩ ዝልጠፈሎም። ካልኦት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝሰርሑ ዝነበሩ ትካላት ሚድያ ድማ ብሰንኪ ሓድሽ ሕጊ መንግስቲ ሩስያ ወይ ድማ ነቲ ወራር ብምቅዋም ስረሖም ጠጠው ኣቢሎም ኣለዉ። ቢቢሲ ሩስያ ካብቶም ስራሕቶም ከቋርጹ ዝተገደዱ ሓደ እዩ። ካልኦከ በዓል መን ስራሕ ጠጠው ኣቢሎም? ካብ ገጻት ቴሌቪዥን ዝጠፍኡ ዘለዉ ግን ጋዜጠኛታት ጥራይ ኣይኮኑን። ኣብ ሩስያ ካብቶም ፍሉጣት ቶክ ሾው ዝነበሮም[ኣብ ቻነል 1] ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ፡ ኢቫን ኡርጋንት፡ ነቲ ወራር ስዒቡ፡ 'ፍርሕን ቃንዛን፡ ኲናት ኣይፋሉን' ዝብል መልእክቲ ዝሓዘለ መልእኽቲ ኣብ ኢንስታግራሙ ብምዝርጋሕ፡ ስርሑ ጠጠው ኣቢሉ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ። ጸኒሑ ድማ፤ ንሰዓብቱ 'ኣጆኹም ኣይተጨነቑ፤ ዕረፍቲ ገይረ ክምለስ እየ' ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ኣዝዮም ግኑናት፡ ሰብ ሓዳር ዝኾኑ፡ ኣላ ፑጋቼቫን ማክሲም ጋልኪን፡ ብወገኖም ንዕረፍቲ ኣመኽዮም መደቦም ጠጠው ኣቢሎሞ ኣለዉ። ጋልካን'ውን ኣብ ኢንስታግራም ገጹ፡ \"ንኲናት ዝኾነ ርትዓዊነት የብሉን። ኲናት ኣይፋል\" ዝብል ጠቂዑ እዩ መደቡ ጠጠው ኣቢሉ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60779075"} {"headline":"ተሳኢኑ ዝጸንሐ ጋዜጠኛ ክብሮም ወርቁ ኣብ ቀጽሪ ኣባ ሳሙኤል ተኣሲሩ ከምዝነበረ ገሊጹ","content":"ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ኣበይ ከምዝኣተወ ከይተፈለጠ ዝጸንሐ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ክብሮም ወርቁ፡ ሎሚ ብኣቆጻጽራ ግእዝ 18 ጥሪ 2014 ዓ\/ም ተኣሲርሉ ካብ ዝጸንሐ ኣባ ሳሙኤል ዝተባህለ ቀጽሪ ከምዝተፈተሐ ንቢቢሲ ገሊጹ፡፡ ካብ 16 ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ቀይዲ ዝወዓለ ኣብ ኣሃዱ ራድዮ ናይ ዜና ኣዳላዊ ጋዜጠኛ ክብሮም፡ ካብ 9 ሕዳር ጀሚሩ ቤተሰቡን ፖሊስን ኣበይ ከምዘሎ ኣይንፈልጥን ክብሉ ጸኒሖም፡፡ ንሱ ‘‘ህውከትን ዕግርግርን ብምልዕዓል ’’ ተኸሲሱ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ቀይዲ ጸኒሑ፡፡ ክብሮም ከተማ ሃይቅ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ከምዝኣተወት ዝገልጽ ዜና ምስ ኣቕረበ እዩ ተኣሲሩ፡፡ ‘‘ቤት ፍርዲ ብናጻ ምስ ኣሰናበተኒ ካልኣይ ተኣሲረ፡፡ ብመኪና ሒዞምኒ እንትኸዱ ናበይ ከምዝወስዱኒ ኣይፈልጥን ነይረ፡፡ ንሱ ጭንቀትን ዘይምርግጋእን ፈጢሩለይ ነይሩ፡፡ ዳሓር ግን ከም ኩሉ ተጠርጣሪ እየ ጸኒሐ’’ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡ ንብዙሕ ሰሙናት ቤተሰቡ ኣበይ ከምዘሎ ከይፈለጡ ካብ ምጽነሖም ብተወሳኺ በጻሒ ክመጾም ክልኩል ብምንባሩ እቲ ኩነታት ከቢድዎ ከምዝነበረ ክብሮም ይዛረብ፡፡ ካብ ቀረባ እዋን ናብዚ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ናይ ምግብን ሕክምናን ጸገም ከምዝነበረ'ውን ገሊጹ፡፡ ‘‘ጋዜጠኝነት ፈትየ ዝሰርሖ ሙያ ስለዝኾነ ስረሐይ ክቕጽል እየ፡፡ ብውልቀይ ዋላ ዋጋ ዘኽፍል እንተኾነ ሙያዊ ስነ ምግባረይ ሓልየ ስረሐይ ክቕጽል እየ’’ ብምባል ናብ ሙያ ጋዜጠኝነት ከምዝምለስ ተዛሪቡ፡፡ ክብሮም መጀመርታ ብልሙድ ‘ሶስተኛ’ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ መደበር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ እዩ ተኣሲሩ ነይሩ፡፡ ኣብቲ እዋን ምብጻሕ ይከኣል ከምዝበረን ምግቢ ይወስዱሉ ከምዝነበሩን ወላዲኡ ንቢቢሲ ተዘሪቦም ነይሮም፡፡ ኣብ 9 ሕዳር 2014 ዓ\/ም ቤት ፍርዲ ብ 15 ሽሕ ብር ዋሕስ ክፍታሕ ወሲኑሉ፡፡ ወላዲኡ እቲ ናይ ውሕስና ገንዘብ ከፊሎም ንሓደ ሰሙን ተጸብዮም፤ ኮይኑ ግና ፖሊስ ይግባይ ሓቲቱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሕ ገይሩዎ፡፡ ክብሮም ኣበይ ከምዘሎ ምስተስኣነ ድማ ቤተሰቡ ኣካል ናጻ ናይ ምውጻእ ክሲ መስሪቶም ኣብ ከይዲ ጸኒሑ፡፡ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ህጹጽ እዋን ምእዋጁ ስዒቡ ንክብሮም ወርቁ ሓዊሱ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም እዮም፡፡ ዝተወሰኑ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ዝተፈትሑ እንትኾኑ ካልኦት ግን ሕዚ እውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዮም ዘለዉ፡፡","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60147232"} {"headline":"ኤለን መስክ ንትዊተር ብ44 ቢልዮን ዶላር ክዕድጎ ተስማሚዑ","content":"ቦርድ ትዊተር፡ ትዊተር ንሃብታም ዓለምና ዝኾነ ኤለን መስክ ብ44 ቢልዮን ዶላር ክሸጦ ተሰማሚዑ። ቢልየነር መስክ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን እዚ ዘሰንብድ ዋጋ ከቕርብ እንከሎ ትዊተር ገና ዘይተፈተሸ \"ዓብዪ ዓቕሚ\" ከም ዘለዎ ተዛሪቡ። ብተወሳኺ ትሕዝቶታት'ቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ካብ ምፍኳስ ክሳብ ናይ ስኑዕ ዜና መጥቀሚታት [ኣካውንታት] ምጥፋእ ኣገደስቲ ለውጥታት ከም ዝገብር እውን ገሊጹ። ትዊተር መጀመርታ፡ መስክ እቲ ኩባኒያ ንምዕዳግ ዘቕረቦ ሓሳብ እኳ እንተነጸጎ ሕጂ ግን ኣብቲ ኩባኒያ ብጽሒት ዘለዎም ሰባት ነቲ ስምምዕ ከጽድቑ ድምጺ ክህቡ ክሓትት እዩ። ሃብታም ዓለምና መስክ፡ መጽሄት ፎርብስ ከም ዝብሎ 273.6 ቢዮን ዶላር ዝተጻረየ ሃፍቲ ዘለዎ ኮይኑ ኣብ ኤሌክትሮኒክ መኪና ቴስላ ብዘለዎ ብርክን መራሒ ትካል ስፔስ ኤክስን እዩ። \"ናጽነት ምዝራብ መሰረት ዴሞክራሲ'ዩ፤ ትዊተር ድማ ሰባት ወሰንቲ ጉዳያት መጻኢ ህይወት ዝካትዕሉ ዲጅታላዊ ኣደባባይ እዩ\" ክብል መስክ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። ወሲኹ \"ኣብ ትዊተር ሓደሽቲ ትሕዝቶታት ብምትእትታው ድማ ዝሓሸ ክኸውን፣ እቲ ስልቲ ቀመር [ኣልጎሪዝም] እምነት ንምድንፋዕ ክፍቲ ክኸውን ብምግባር፣ ዘየድልዩ ኣካውንታት ብምእላይን ኩሎም ተጠቀምቲ ሰባት ብምርግጋጽን ትዊተር ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ዝሓሸ ክገብሮ እየ\" ኢሉ። ትዊተር፡ ካብ ፖለቲከኛታትን ተቖጻጸርትን ኣብዚ መተግበሪ ብዛዕባ ዝዝርግሑ ትሕዝቶታት ጸቕጢ ክበጽሖ ጸኒሑ'ዩ። ግጉይ ሓበሬታ ንምምማይ ዝገብሮ ጻዕሪ ብየማነ ጸጋም ነቐፌታ ከስዕበሉ ጸኒሑ። ትዊተር ካብ ዝወሰዶም ስጉምታት እቲ ዝዓበየ፡ ሓደ ካብ ፍሉጣት ተጠቀምቱ ዝኾኑ ፕሬዝደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ካብ ትዊተር ምእጋዱ እዩ። ንሱ \"ጎነጽ ብምልዕዓል\" ብዝብል እዩ ተኣጊዱ። ሕጂ መስክ ትዊተር ምውሳዱ ኣብ ኣመሪካ ብዙሓት ክቕበሉዎ እንከለው፡ ዶናልድ ትራምፕ ብሰኑይ ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ቃል ዳግም ናብ ትዊተር ናይ ምምላስ መደብ የብለይን ኢሉ። ዋይት ሃውስ ርኢይቶ ንምሃብ ፍቓደኛ እኳ እንተዘይኮነ፡ ወሃቢት ቃል ጂን ሳኪ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ \"ትዊተር መን ይወንኖ ብዘየገድስ፡ እቲ ፕሬዝደንት ብዛዕባ ሓይሊ ዓበይቲ መተግበሪታት ማሕበራዊ ሚዲያ ከተሓሳስቦ ጸኒሑ'ዩ\" ኢላ። ኣቦ መንበር ኮሚቴ ዲጂታል፣ ባህሊ፣ ሚዲያን ስፖርትን ዓዲ ኢንግሊዝ ኣባል ባይቶ ጁሊያን ናይት እቲ ውዕሊ \"ኣብ ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ ዓለም ዝተበጽሐ ፍሉይ ምዕባለ\" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። \"ብውልቂ ዝመሓደር ትዊተር [ብፍጹም ብናጽነት ምዝራብ ብዝምራሕ ሰብ] ዓለምለኻዊ ምንቅስቓሳት ንምቁጽጻር ዝገብሮ ስጉምቲ ምርኣይ ኣዝዩ ሰሓቢ'ዩ\" ኢሉ። ኢሎን መስክ ኣብ ትዊተር 80 ሚሊዮን ተኸተልቲ ዘለውዎ ኮይኑ፡ ንሱ ንርእሱ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ኮይኑ ጸኒሑ'ዩ። ብ2018፡ ተቖጻጸርቲ ፋይናንስ ኣመሪካ ሰብ ሃፍቲ ቴስላ ኣብ ትዊተር ብዝጽሕፎም ጽሑፋት የጋግዮም ኣሎ ክብሉ ከሲሶምዎ ነይሮም። እቲ ናይ ይግብኣኒ ሕቶታት ብናይ 40 ሚሊዮን ስምምዕ ከም ዝተፈትሐ እኳ እንተተገለጸ መስክ ግን እዞም ክስታት ኣይቕበሎምን። ብ2019 ብገበን ምጥቃን ተኸሲሱ እኳ እንተነበረ ጸኒሑ ግን ረቲዑ። ምስ ጋዜጠኛታት ክገራጮን ነቐፍቲ ኣብ ትዊተር ክዓጸዕዎምን ዝጸንሐ መስክ፡ ብሰኑይ ኩሉ ብናጽነት ዝካትዐሉ መድረኽ ክኸውን እዩ ኢሉ ኣሎ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61226217"} {"headline":"ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ብዛዕባ ኲናት ዝጸብጸቡ ሰለስተ ጋዜጠኛታት ኣሲሩ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሻባሪ ተባሂሉ ንዝተበየነ ጉጅለ ሽፋን ሚድያ ሂቦም ንዝበሎምም ሰለስተ ጋዜጠኛታት ኣሲሩ። እቶም ብሕጊ ህጹጽ ኣዋጅ ዝተኣሰሩ ንኣሶሼትድ ፕረስ ዝሰርሕ ሰኣሊ ቪድዮ ጋዜጠኛ ዓሚር ኣማን ኪያሮ ከምኡ'ውን ንማዕኸናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ዝሰርሑ ቶማስ እንግዳን ኣዲሱ ሙሉነህን ዝተባህሉ ጋዜጠኛታት እዮም። እቶም ጋዜጠኛታት ሕጊ ህጹጽ እዋንን ሕጊ ጸረ ግብረ ሽበራን ከም ዝጠሓሱ ፖሊስ ይገልጽ። ዋና ኤዲተር ኣሶሼትድ ፕረስ ጁሊ ፔስ ግና እቲ ክሲ \"መሰረት ዘይብሉ\" ክትብል ነጺጋቶ። እቲ ትካል ንክልቲኡ ገጻት እቲ ኩናት ክጽብጽብ ከም ዝጸንሐ ድማ ገሊጻ። ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝጣበቕ 'ኮሚቴ ቱ ፕሮቴክት ጆርናሊስትስ' (ሲፒጄ) ብወገኑ፡ ማእሰርቲ እቶም ጋዜጠኛታት ብምኹናን ብምኽንያት ስርሖም ዝተኣሰሩ ኩሎም ጋዜጠኛታት ብቕልጡፍ ክፍትሑ ጸዊዑ። ወሃቢ ቃል ፖሊስ ፌደራል ጄይላን ኣብዲ፡ ግብረ ሽበራዊ ተባሂሉ ምስ ዝተበየነ ጉጅለ ምርኻብ ብሕጊ ጽረ ግብረ ሽበራ ዘሕትት ገበን ምዃኑ ከም ዝገለጸሉ ሲፒጄ ኣፍሊጡ። ብምኽንያት እታ ሃገር ዝኣወጀቶ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ብዙሓት ጋዜጠኛታት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ይርከቡ። ሲፒጄ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ኣብ ትሕቲ ሳህራ ካብ ዝርከባ ሃገራት ካብ ኤርትራ ቐጺላ ብኻልኣይ ደረጃ ከም ዝተሰርዐት ኣፍሊጡ ነይሩ። ኣብ ጽባሕ እቲ ጸብጻብ ድማ ሰለስተ ጋዜጠኛታት ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብኣባላት ጸጥታ ተኣሲሮም። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ነቶም ጋዜጠኛታት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ክብሮም ወርቁ፣ ታምራት ነገራ፣ የመዓዛ መሐመድን እያስፔድ ተስፋዬን ዝርከብሉ ኩነታትን ቦታን መንግስቲ ከፍልጥ ሓቲቱ። መስራቲ 'ኡቡንቱ' ዝተባህለ ብዩቱዩብ ዝፍኖ ምድላው፡ እያስፔድ ተስፋዬ ኣቐዲሙ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ኮይኑ፡ ብ28 ሕዳር 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ካብ መንበሪ ገዝኡ ከም ዝተወሰደ ወላዲት ኣዲኡ ንቢቢሲ ተዛሪባ ነይራ። ስዒቡ መስራትን ዋና ኣሰናዳእን 'ተራራ ኔትወርክ' [ብዩቱዩብ ዝፍኖ] ታምራት ነገራ 01 ታሕሳስ 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ካብ መንበሪ ገዝኡ ከም ዝተወሰደ በዓልቲ ቤቱ ሰላም በላይ ንቢቢሲ ምግላጻ ይዝከር። ሳልሰይቲ ጋዜጠኛ ከኣ የመዓዛ መሓመድ ትበሃል ኮይና ብ02 ታሕሳስ 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ካብ እንዳወለዳ ከም ዝተወሰደት ዓባይ ሓፋታ ኣገኘሁወርቅ ኣበበ ንቢቢሲ ሓቢራ። ኩሎም ጋዜጠኛታት ኣብ ሰዓታት ረፋድ ካብ መንብሪ ገዝኦም ዝተወሰዱ ኮይኖም ገዛውቶምን ዝሰርሑሉ ቦታን ተፈቲሾም'ዮም። ናይ ኮምፒተራት 'ሃርድ ዲስክ'፣ መቕድሒ ድምጺ ናውቲ ከምኡ'ውን ካሜራታት ብፖሊስ ከም ዝተወሰዱ ድማ ቤተሰቦም ሓቢሮም። እቲ ኮሚሽን ኣብ መግለጺኡ፡ ከም ዝበሎ ብፍላይ ስድራቤታት ጋዜጠኛታት ታምራት ነገራን ክብሮም ወርቁን ዝርከብሉ ቦታ ብዘይምፍላጦም ኣብ ዓቢ ሻቕሎት ከም ዝርከቡ ኣተሓሳሲቡ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59678820"} {"headline":"ናጽነት ፕረስ ኤርትራን ጻውዒት ኤምባሲ ኣሜሪካን","content":"ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ብምኽንያት ዓለማዊ መዓልቲ ፕረስ ነቶም ኣብ መስከረም 2001 ተኣሲሮም ዝተሰወሩ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ብምጥቃስ \"ኣብ ዓለማዊ መዓልቲ ዓው ኢልና ስሞም ብምጽዋዕ ከምዘይተረስዑ ክንነግሮም ኣሎና\" ክብል ኣብ ፌስቡክ ጽሒፉ። ኣብቲ ዝጸሓፎ ዝርዝር፡ \"ዳዊት ኢሳቕ፡ ስዩም ጸሃየ፡ ዳዊት ሃብተሚካኤል፡ ማቴዎስ ሃብተኣብ፡ ፍስሃየ ዮውሃንስ (ጆሽዋ)፡ ኣማኑኤል ኣስራት፡ ተመስገን ገብረየሱስ፡ ስዒድ ዓብደልቃደር፡ ዮሱፍ ሙሓመድ ዓሊ፡ መድሃኔ ሃይለ፡ ኣብ ዓለማዊ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ስሞም ከም ዘይተረስዐ ንኸነፍልጦም ዓው ኢልና ክንዛረብ ኣሎና\" ብምባል መንግስቲ ኤርትራ ንኽፈትሖም ጸዊዑ። 18 መስከረም 2001፡ ካብቶም ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ 11 ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብ ቀይዲ ክኣትዉ እንከለዉ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት 'ንግዚኡ' ብዝተብሃለሉ ኣዋጅ ካብ ስራሕ ደው ክብላ ተወሲኑ። ድሕሪ ሳልስቲ ከኣ ኣብተን ጋዜጣታት ዝጽሕፉ ዝነበሩን ኣዳለውተንን በብሓደ ክተሓዙን ክቕየዱን ጀሚሮም። ኣብቲ ብጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ ዝዳሎ ንደረጃ ናጽነት ፕረስ ዝመዝን ዓለማዊ ዝርዝር ሰሌዳ ሃገራት ዓለም፡ ኤርትራ፡ ናጽነት ርእይቶን ሓሳብን ዓፊና ን16 ጋዜጠኛታት ብምእሳራ ካብ 180 ሃገራት ንሰሜን ኮርያ ጥራሕ ብምቕዳም መበል 179 ተርታ ክትሕዝ እንከላ ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ከኣ ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ ትርከብ። ኣብ ዊኒፔግ ካናዳ ዝነብር፡ ደቂ ሰባት ኣብ ጉዕዞ ህይወቶም ንዘጋጥሞም ጸገማት ብኸመይ ከምዝገጥምዎ ንድሕሪት ተመሊሱ ታሪኽ ምዕባለን ብደሆን አህዛብ፡ (ኢንቫይሮንመንታል ሂስትሪ) ዘጽነዐ መምህር ዩኒቨርሲቲን ደራስን ዶ\/ር ሙሴ ተስፋገርግሽ፡ ዓለማዊ መዓልቲ ፕረስ፡ ስርዓታት ኣብ ልዕሊ ዜጋታተን ዘካይደኦ ዓፈናን ግህሰትን ንምምካት ኣድህቦን ቆላሕታን ንምፍጣር እትኽበር ዕለት ምዃና ይገልጽ። ብተወሳኺ፡ ከም ኤርትራዊ ዜጋ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መስከረም 2001 ንጋዜጣታት ብሕቲ ብምዕጻው ንኣዳለውተን ኣሲሩ ብምስዋሩ፡ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ከም ''ጸላም ነጥቢ'' ከምዝርእዮ ብምጥቃስ፡ እቲ ፍጻሜ \" ንህዝቢ ወግዓዊ ልሳኑ ዝዓጸወ፡ ኣብ ልዕሊ ሕግን ፍትሕን ርኡይ ዓመጽን ግህሰትን ዘኸተለ እዩ\" ብምባል እቶም ብዓቕሞም ሓበሬታ ኣኪቦም ንህዝቢ ወድዓዊ ዜና ዘቕርቡ ዝነበሩ ሞያውያን መንእሰያት ደቂ ኤርትራ ብቓጻ ምጥፈኦም ብሓዘን ዝዝክረሉ መዓልቲ ምዃና ይገልጽ። ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲን ሃገረ ኖርወይን ብሚድያ ክልተ ዲግሪ ዘጠናቐቐ መንእሰይ ኣልኣሚን እድሪስ ብወገኑ፡ ኤርትራውያን ብዘይ ኣማራጺ ሚድያ፡ ጋዜጣ፡ ሬድዮን ቲቪን ናይ ሓደ ወገን ድምጽን ዛንታን ጥራሕ ዝሰምዑ ዝነበሩን ዘለው ዝተወጽዑ ህዝቢ ምዃኖም ብምግላጽ \"ኣብተን ጋዜጣታት ብሕቲ ዝዓምበባሉ ዝተፈጥረ ምብህሃልን ተስፋን ምቕሃሙ ኣዝዩ የሕዝነኒ\" ክብል ነተን ሒደት ዓመታት ናይ ተዛማዲ ናጽነት ሪአኻ ከም ምስኣን ይቖጽረን። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ወርሒ ግንቦት ነፍሲ መንግስታት ዓለም፡ ዜጋታተን ብነጻነት ሓሳቦም ዝገልጽሉ መሰል ከኽብራን ውሕስነት ጋዜጠኛታት፡ ጸሓፍትን ምሁራትን ክሕልዋን ይጽውዕ። እቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ከኣ እቶም ርእይቶኦምን ሓሳቦምን ብምግላጾም ጥራሕ ብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘይፍልጥ ሰናጭሮን ጎዳጉድን ተዳጒኖም ዘለው ጋዜጠኛታትን ክፍትሑን ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ክኽበርን ተማሕጺኑ። ኣብ ዝሓለፋ 20 ዓመት'ውን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ስድራቤት እዞም እሱራትን፡ እዞም ብዘይ ፍትሒ ተኣሲሮም ዘለው ክፍትሑን መሰል ደቂሰባት ክኽበረን ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም። መንግስቲ ኤርትራ፡ ርእይቶን ሓሳብን እቶም ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ክምስረት ዝጸውዑ ምኒስተራትን ጀነራላትን ዝርከቡዎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ምስ አሕተማ እዩ ነተን ጋዜጣታት ብኣዋጅ ብምዕጻው ክሳብ ሕጂ ነጻነት ፕረስ ዓፊኑ ዘሎ። ኣብ 2007 ኮምሽን ኣፍሪቃ ንሰብኣውን ህዝባውን መሰላት፡ ኤርትራ ነቲ ንሰብኣውን ህዝባውን መሰላት ዝምልከት ቻርተር ኣፍሪቃዊ ሕብረት ትጥሕስ ከምዘላ ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ምስ ርእይቱኡ ዘይሰማማዕ ሓሳብ ዘለዎም ሰባት ከምዝኣስር ሓቢሩ ነይሩ። ዶ\/ር ሙሴ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መስከረም 2001 ንጋዜጠኛታት ጥራሕ ዘይኮነ ዳርጋ ንመላእ ሕብረተሰብ ከም ዝሞቚሐ ብምግላጽ፡ \"ዓመት መጽአ እንብሎ እኳ እንተኾነ ሕጂ እውን ደጊምና ስርዓት ኤርትራ ነዞም ብዓመጽ ኣሲሩ ሰዊሩዎም ዘሎ ጋዜጠኛታትን ኩሎም ናይ ሕልና እሱራትን ክፈትሖም ይግባእ\" ክብል ምሕጽንትኡ ኣቕሪቡ። ኣልኣሚን እድሪስ እውን እተን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ዝጀመራሉ ግዜ ኣብ ፖለቲካ፡ ማሕበራዊ ቁጠባውን ዓውድታት ዝተፈላለየ ሓበሬታ የቕርባ ስለዝነበራ ህዝቢ ሓሳቡ ክገልጽን ንሓድሕዱ ክዘራረብን ዝጀመረሉ ከም ናይ ምንቕቓሕ መድረኽ ከምዝርእዮ ይሕብር። \"እዞም ሰባት ጋዜጠኛታት ቅድሚ ምዃኖም ሰባት እዮም። ከም ማንም ሰብ ዝወለዱዎም ቖልዑ፡ ደሃይ ብምስኣኖም ዝጉህዩን ዝነብዑን ወለዲ፡ ሰላሞም ዝተመንጠለ ኣአሕዋትን ኣሓትን ስለዘለውዎም ስርዓት ኢሳይያስ ብህጹጽ ክፈትሖም ኣለዎ\" ድሕሪ ምባል ዝፈጸምዎ ገበን ኣሎ ዝበሃል እንተኾይኑ ከኣ ኣብ ቅሉዕ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ጉዳዮም ይረአ ክብል ተማሕጺኑ። ይኹን እምበር ይብል ኣልኣሚን \"ስርዓት ኤርትራ ዝሰምዕ እንተዝነብር ነዞም ጋዜጠኛታት ካብ ዝኣስሮም ክሳብ ሕጂ ን20 ዓመታት ዝኣክል ተለሚኑ እዩ። ኣይሰምዐን፡ ሕጂ እውን ኣይክሰምዕን'ዩ\" ብማለት ብምሕጽንታ ዝመጽእ ፍታሕ ከምዘይህሉ ይዛረብ። ባይቶ ሽወደን፡ ነዚ ዓመታዊ ኣብ ወርሒ ግንቦት ብዓለም ደረጃ ዝበዓል ዘሎ ንሓርነት ሓታምን አሕታምን ዝድግፍ ሕጊ ናጽነት ፕረስ፡ ብ2 ታሕሳስ 1766 ከምዘጽደቐ ኣብ ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ዝሰፈረ ሓበሬታ የመልክት። እቲ ኣዋጅ ናጽነት ፕረስ ነቲ መንግስቲ ሽወደን ኣብ ሕትመት ዝገብሮ ዝነበረ ምምያ (ሳንሱር) ብምእላይ መንግስቲ ንኹሉ ዘካይዶ ንጥፈታት ናብ ህዝቢ ብወግዒ ከምዘቕርቦ ገበረ። እዚ ሕጂ ከም ዓንዲ ሕጊ ናጽነት ፕረስ ዝረአ ፈላሚ ተበግሶ ኣብ ሓደ ግዝኣት ዝነብሩ ውልቀ-ሰባት፡ ብርእይቶኦምን ሓሳባቶምን ከይትንከፉን ብዘይ ምንም ፍርሕን ደረትን ሓበሬታ ክለዋወጡ ዘፍቅድ ውሳነ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር ሕጂ ኣብዚ ዓለም ብኹሉ ምዕባለታት ኣዝያ ተወንጪፋ ከምዘላ ዝዝረበሉ ዘሎ ከም ዘበነ ሓበሬታን ምህዞን ዝረአ መበል 21 ክፍለ ዘበን ሃገራት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ክዕፍና ምርኣይ ዘሕዝን ምዃኑ ዶር ሙሴ ይዛረብ። ዓለማዊ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ 2022 ኣብ ምንታይ ዘተኰረ እዩ? እዚ፡ \"ጋዜጠኝነት ኣብ ትሕቲ ዲጂታዊ ከበባ\" ብዝብል ዝዝከር ዘሎ ዓለማዊ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ 2022፡ ትካል ትምህርትን ሳይንስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት [ዩኔስኮ] ምስ መንግስቲ ኡራጓይ ብምትሕብባር ካብ 2-5 ግንቦት ብደረጃ ዓለም ብዘዳለዎ ዋዕላ እዩ ዝዝከር ዘሎ። እዚ ዋዕላ፡ ንሓንጸጽቲ ፖሊሲ መንግስታትን ትካላት ኢንተርነትን፡ ጋዜጠኛታት፡ ወከልቲ ማዕከናት ዜና፡ ክኢላታት ድሕነት-ሳይበር፡ ተመራመርቲ ሰብሰርሖ ብልሒ፣ ክኢላታት ሕጊን ካልኦት ሞያውያንን ዘራኽብን ሓባራዊ መድረኽ ዝፈጥርን ክኸውን እምነት ተነቢርዎ'ሎ። waእዚ ዋዕላ፡ ዘለናዮ ዲጂታዊ መዋእል፡ ጽልዋኡ ኣብ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባትን ድሕነት ጋዜጠኛታትን፡ ስረት ወይ ከኣ ቀጻልነት ሜድያን፡ ህዝባዊ ተኣማንነትን ዝኣመሰሉ ኣውራ ጉዳያት ክድህስ እዩ። 'ጋዜጠኝነት ኣብ ትሕቲ ዲጂታዊ ከበባ' ዝብል ዓንዲ ቅውም ነገር እዚ ዋዕላ ድማ፡ ነቲ ብመንግስታትን ዘይመንግስታውያን ኣካላትን ዝግበር ብዙሐ-ቀጸላታት ኣተሓሳሳቢ ኰይኑ ዘሎ እዋናዊ ኣገባብ ምክትታል፣ ምኽዛን ዓበይቲ ሓበሬታታ፣ ሰብሰርሖ ብልሒን፣ ጽልዋኡ ኣብ ጋዜጠኝት ናጽነት ምግላጽ ሓሳባትን ብሕትውናን ኣተኲሩ ብዕምቈት ክዘራረብ እዩ። ምስዚ ብምዝማድ ከኣ፡ ብድሆታት ቀጻልነት ሜድያ ኣብዚ ዲጂታዊ ዘመን፡ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝግበር ምክትታልን ምጽንጻን ብሰንኩ ዝወርዶም መጥቃዕቲ፣ ሰባት ኣብ ዲጂታዊ ኣገባባት ርክብ ዘለዎም ዘይምትእምማንን ስግኣትን'ውን ክርኢ እዩ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61316865"} {"headline":"ማሕበር ጋዜጠኛታት ክልል ሶማል ብ80 ሽሕ ብር ዋሕስ ዝተኣሰሩ ኣባላቱ ከምዘፍተሐ ገሊጹ","content":"ማሕበር ጋዜጠኛታት ክልል ሶማል ተኣሲሮም ዝነበሩ ንቴሌቪዥን ነበድ ዝሰርሑ ኣርባዕተ ኣባላቱ፡ ናይ 80 ሽሕ ብር ዋሕስ ኣትሒዙ ክፍትሑ ከምዝገበረ ገሊጹ። እቶም ኣብ ከተማ ጂግጂጋ ብቋንቋ ሶማል ንዝፍኑ ጣብያ ቴሌቪዥን ነበድ ዝሰርሑ ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት ቅድሚ ሰሙናት እዮም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም፡፡ እቲ ማሕበር ካብ ሓደ በዓል ሃፍቲ ብር 80 ሽሕ ተለቂሑ ውሕስና ኣትሒዙ ብዓርቢ እቶም ኣባላቱ ክፍትሑ ከምዝገበረ ገሊጹ፡፡ ጋዜጠኛታት ኢብራሂም ሑሴን፣ ሰልማን ሙኽታር፣ መሓመድ ቃሲምን ሂርሲ መሓመድን ብኣቆጻጽራ ግእዝ 1 ሕዳር 2014 ዓ\/ም ረፋድ እዮም ኣብ ቀይዲ ውዒሎም፡፡ 3 ሕዳር ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ፖሊስ ተወሳኺ ምርመራ ንምክያድ 10 መዓልቲ ክወሃቦ ብዘቕረቦ ሕቶ መሰረት፡ እቶም ጋዜጠኛታት ን 10 መዓልቲታት ተኣሲሮም ክጸንሑ መጋባእያ ወሲኑ፡፡ ኮይኑ ግና ኣብቲ ዝተባህለ መዓልቲ ናብ ፍርዲ ከምዘይቀረቡን 17 ሕዳር ናብ መጋባእያ ኣብ ዝቐረብሉ እዋን ድማ መዝገቦም ብዘይምቕራቡ ጉዳዮም ከምዘይተርኣየ ኣባል እቲ ማሕበር ዓብዱረዛቕ ሸኽ ሑሴን ተዛሪቡ፡፡ ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ 27 ሕዳር ጀሚሩ ክሳብ ረቡዕ ጉዳዮም ከምዝተርኣየ ዝገልጽ ዓብዱረዛቕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ እቶም ጋዜጠኛታት ብዋሕስ ክፍትሑ ብዘቕረብዎ ሕቶ መሰረት ዓቃቢ ሕጊ ተቓውሞ ከምዘይብሉ ስለዝገለጸ እቲ መጋባእያ ብዋሕስ ክፍትሑ ወሲኑ ኢሉ፡፡ ጠበቓ ቆጺሩ ነቲ ጉዳይ ክከታተል ዝጸነሐ ማሕበር ጋዜጠኛታት ክልል ሶማል፡ ንሕድሕድ ጋዜጠኛ ዝተሓተተ ናይ ብር 20 ሽሕ ዋሕስ ካብ ሓደ ውልቀ ሰብ ተለቂሑ ከምዝኸፈለ ገሊጹ፡፡ በዚ መሰረት እቶም ጋዜጠኛታት ብዓርቢ ከምዝተፈትሑ ፕረዚደንት እቲ ማሕበር ኣያን ሽኩሪ ዑስማን ንቢቢሲ ሓቢሩ፡፡ እቶም ጋዜጠኛታት ምስ ዝሰርሕዎ ስራሕ ተተሓሒዙ ንዝቐረበሎም ክሲ፡ እቲ ዘስረሖም ትካልዶ ኣይኮነን ወጻኢ ክሽፍን ዘለዎ? ዝብል ሕቶ ካብ ቢቢሲ ዝቐረበሉ ኣቶ ኣያን ‘‘ከምቲ ዝኾነ ጋዜጠኛ ሓላፍነቱ ዝዋጻእ ንሕና እውን ከም ማሕበር ኢና ግዴታና ተዋጺእና፡፡ ስለዚ መሪጽና ዝገበርናዮ ዘይኮነስ ሓላፍነትና ኢና ተዋጺእና ’’ ኢሉ፡፡ ንሱ ነቲ ዓቕሚ ስለዘይብሎም ተለቂሖም ዘትሓዝዎ ናይ ውሕስና ገንዘብ፡ ካብ ኣባላቶም ኣኪቦም ከምዝኸፍልዎ እውን ተዛሪቡ፡፡ ቢቢሲ ናይ ቴሌዚዥን ነበድ ኣካይዲት ስራሕን ናይ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህጻናትን መናእሰይን ሚኒስተር ነበርን ፊልሰን ሓሰን ኣቦ ናብ ዝኾኑ ኣቶ ዓብዱላሂ ብተደጋጋሚ ስልኪ ደዊሉ ክረኽቦም ኣይከኣለን፡፡ ኣቶ ዓብዱላሂን እቶም ኣርባዕተ ጋዜጠኛታትን ክእሰሩ ምኽንያት ዝኾነ መደብ ኣብቲ ጣብያ ቴሌቪዥን ተሓላሊፉ ምባሉ ይዝከር፡፡ ኣቶ ዓብዱላሂ ኣብ ቀይዲ ምስ ወዓሉ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ከምዝተፈትሑ ጓሎም ፊልሰን ኣብ ትዊተር ጽሒፋ ነይራ፡፡ ማእሰርቲ እቶም ጋዜጠኛታት ስዒቡ፡ እቲ ስጉምቲ ነቲ ኣብቲ ክልል እናተመሓየሽ ዝመጸ መሰል ናጻ ሚድያ ከምዘዳኽም ዝገለጸ ማሕበር ጋዜጠኛታት ክልል ሶማል፡ \"መንግስቲ ናጽነት መራኽብቲ ብዙሃን ከኽብር፣ ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ክፍትሑን እቲ ጣብያ ናብ ስርሑ ክምለስን\" ሓቲቱ ነይሩ፡፡ መንግስቲ መሰል ጋዜጠኛታት ከኽብርን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ማሕበራት ጋዜጠኛታት ብወገኖም ሓላፍነቶም ክዋጽኡን ሓላፊ እቲ ማሕበር ኣቶ ኣያን ጸዊዑ፡፡","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59635266"} {"headline":"ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ንፕረዚደንት ኣልሲሲ ዝነቐፈ ጋዜጠኛ ተኣሲሩ","content":"ፍሉጥ ግብጻዊ ጋዜጠኛ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ንፕረዚደንት ኣል ሲሲ ብምንቃፉ ተኣሲሩ። ኣብ ግብጺ ካብ ዝፍለጡ ጋዜጠኛታት ሓደ ዝኾነ ዓብዱናስር ሰላማ ፕረዚደንት ዓብዱልፈታሕ ኣልሲሲ ካብ ስልጣን ይውረድ ክብል ብምዝራቡ ተኣሲሩ። ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ከም ዝሓበርኦ፡ ጋዜጠኛ ዓብዱናስር ኣብዚ እዋን ናይ ግብረ-ሽበራ ክሲ ተመስሪትዎ’ሎ። ንሱ፡ ኣልሲሲ ብፍላይ ምስ ጉዳይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ብዝተሓሓዝ ዘርኣዮ ዕሽሽ ምባል ኣመልኪቱ ብፌስቡክ ኣብ ዘሕለፎ ነቓፊ መልእኽቲ፡ እቲ ፕሬዝደንት ካብ ስልጣን ክወርድ ሓቲቱ። ግብጺ እቲ ብኢትዮጵያ ዝህነጽ ዘሎ ግድብ ንዝብጽሓኒ መጠን ማይ ክጸልዎ እዩ ብዝብል ዘለዋ ስግኣት ብተደጋጋሚ ትገልጽ ምህላዋ ይፍለጥ። እንተኾ እዚ ስግኣታ ንምትራፍ ዛጊድ ምስ ኢትዮጵያ ዝበጽሓቶ ዝኾነ ዓይነት ስምምዕ የለን። ጋዜጠኛ ዓብዱናስር ሰላማ ከኣ ነዚ ጉዳይ ብምልዓል ነቲ ፕረዚደንት ከም ዘናሸዎ ይግለጽ ኣሎ። ዓብዱናስር ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ብኣባላት ጸጥታ ግብጺ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝወዓለ ኮይኑ ንግብረሽበራ ብገንዘብ ብምድጋፍን ኣባል ዘይሕጋውያን ትካላት ምዃንን ዝብሉ ክስታት ቀሪቦምሉ ኣለው። ተጣበቕቲ መሰላት ብወገኖም እቲ ብኣልሲሲ ዝምራሕ መንግስቲ ነቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝነቕፉ ጋዜጠኛታት ዝበጽሕ ምፍርራሕን ምንግልታዕን ደው ከብል ብተደጋጋሚ ሕቶ የቕርቡ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57899822"} {"headline":"መበል 20 ዓመት ማእሰርቲን ምስዋርን ኣባላት ጉጅለ-15ን ጋዜጠኛታትን ንምዝካር ስእላዊ ምርኢት ተኸፊቱ","content":"መበል 20 ዓመት ማእሰርቲን ምስዋርን ኣባላት ጉጅለ-15ን ጋዜጠኛታትን ንምዝካር ዝዓለመ ስእላዊ ምርኢት ( 'ኤግዚቢሽን') ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ተኸፊቱ። ኣብቲ ብዓርቢ ምሸት ኣብ ከተማ ለንደን ዝተኻየደ ናይ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ኣባላት ፓርላማ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ተጣበቕቲ መሰላት፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ነበርን፡ ወጻእተኛታት ተሳቲፎም ነይሮም። ብስእሊ ዝተሰነየ ሓበሬታ ናይቶም ልክዕ ከምዛ ሎሚ፡ 18 መስከረም 2001 ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ብጉጅለ-15 ዝፍለጡ 11 ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ዝርከብዎም 33 እሱራት ንምርኢት ቀሪቡ'ሎ። ስእሊ ናይቶም ኣብቲ ወርሒ ዝተኣስሩ ኣዳለውትን ጋዜጠኛታትን ናይተን ኣብታ መዓልቲ ዝተዓጽዋ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ቀሪቡ'ሎ። እቲ ምርኢት ብምትሕብባር 'ፎካስ ኤርትራ' ዝተባህለ ኤርትራዊ ተጣባቒ ጉጅለ፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን፡ ፐን ኤርትራ ዝተባህለ ንመሰላትን ናጽነታትን ገዜጠኛታት ዝጣበቕ ማሕበርን ዝተወደበ'ዩ። ኣቦመንበር ፎካስ ኤርትራ ኣቶ ሃብተ ሓጎስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቶም እሱራት፡ ለውጢ ንምምጻእ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምንቃፎም፡ ኣብ ፍርዲ ከይቀረቡ ብመንግስቲ ዝተሰወሩ ምዃኖም ብምጥቃስ፡ ዝበዝሑ ካብቶም ሃለዋቶም ብንጹር ከምዘይፍለጥ ተዛሪቡ። እቲ ምርኢት \"ኩነታቶም ዝዓለም ንምፍላጥ\" ዝተዳለወ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቶ ሃብተ፡ እቶም 33 ወከልቲ ናይቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዝበሎም ካልኦት እሱራት ኤርትራ ምዃኖም ገሊጹ። መራሒ ሰልፊ ዕዮ ነበርን ኣባል ባይቶን ጀረሚ ኮርቢን ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኩሎም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ናይ ሕልና እሱራት ክፍትሑ ጸዊዑ። እቶም እሱራት ሕልና \"ንመንግስቲ ብምንቃፎምን፡ ኣብ ሰባዊ መሰላትን ፍትሒን ዝኣምኑ ብምዃኖምን እዮም ተሰዊሮም\" ኢሉ። \"ንሃገሮምን ዓለምን ዝሓሸ ንምግባር፡ ምግሃስ መሰላት ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ቅቡል ኣይኮነን ኢሎም ዝኣምኑ'ዮም፡ ሓቆም ድማ'ዮም\" ብምባል፡ ነቲ ብገለ ኣባላት ባይቶ ኣብ ፓርላማ ብሪጣንያ ዝቐረበ፡ እቶም እሱራት ክፍትሑ ዝጽውዕ እማመ ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ። \"ብዘይርትዒ ዝተኣስሩ ክፍትሑ ንጽውዕ፡ ናጻን ግሉጽን ርትዓዊን ፍርዲ ክህሉ ንጠልብ፡ ኩሉ ሰብ ናጻን ዘይሻራውን ሜድያ ክጥቀም መሰል ክወሃቦ ንጠልብ\" ድማ ኢሉ። ሓርነት ሕብረተሰብ፡ ናጽነት ምዝራብን ርትዓዊ ፍትሕን መሰረታዊ ምዃኑ ዝገለጸ ኮርቢን፡ \"መሰላት ትምህርቲ፡ መንበሪ ቤት፡ ጥዕናን'ውን ኣገዳሲ\" ምዃኑ ጠቒሱ። እቲ ምርኢት ዝተኻየደሉ ቦታ ኣብቲ ንሱ ዝውክሎ ከባቢ ለንደን ምክካያዱ ከምዘሕጎሶ ዝገለጸ ጀረሚ ኮርቢን ብዙሓት ኤርትራውን ካብ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ጀሚሮም ኣብቲ ንሱ ዝውክሎ ኢስሊንግቶን ኖርዝ ከምዝመጹን ዓቢ ኣበርክቶ ዝገብሩ ምዃኖምን ንኢዱ። መንግስቲ ኤርትራ፡ እቶም ላዕለዎት ሰበስልጣን ነበርን ጋዜጠኛታትን ንሃገራዊ ድሕነት ኣብ ሓደጋ ከምዘእተዉ'ኳ እንተገለጸ፡ ወግዓዊ ክሲ ከየቕረበ ን20 ዓመታት ኣብ ስዉር መዳጎኒ ከምዘእተዎም ይፍለጥ። \"ገበን እንድሕሪ ገይሮም ኮይኖም፡ ከምቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝብሎ ኸኣ ሃገር ክሒዶም እንተኾይኖም፡ ሕጊ'ሎ፡ ናብ ሕጊ ከቕርብዎም ነይሩዎም። እንድሕሪ ገበን ገይሮም ከኣ ብሕጊ ፍርዶም ይረኽቡ\" ብምባል ኣቶ ሃብተ ንክሲ መንግስቲ ኤርትራ ይነጽጎ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽበ ካልእ ኣባል ባይቶ ሃገራዊ ሰልፊ ስኮትላንድ ፓትሪክ ግሬዲ ብወገኑ፡ ነቲ ምርኢት ዘለዎ ደገፍ ድሕሪ ምግላጽ፡ እቶም እሱራት ናብ ፍርዲ ከምዘይቀረቡን፡ \"ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ንምፍታሕ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም \" ክተሓባበር ጸዊዑ። እቲ ምርኢት ኣብ ለንደን ክሳብ ሰንበት 19 መስከረም ክቐጽል ምዃኑን፡ ኣብ ስኮትላንድ (ከተማ ኤዲንብራ) ተመሳሳሊ ምርኢት ንምድላው መደብ ከምዘሎን ኣዳለውቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም። ሎሚ ቀዳም መራሕቲ ሃይማኖታት ነቶም ኣብ ቀይዲ ተሰዊሮም ዘለዉ ስነ-ስርዓት ጸሎት ክፍጹሙ ምዃኖም እቶም ኣዳለውቲ ተዛሪቦም። ብሰንበት'ውን ነቶም እሱራት ንምዝካር ብስነጥባባዊ ንጥፈታት ዝተሰነየ መደብ ክካየድ'ዩ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58609953"} {"headline":"ኢትዮጵያ ኢንሳይደር፡ ጋዜጠኛ ተስፋኣለም ወልደየስ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሑ","content":"ኣሰናዳኢ ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ጋዜጠኛ ተስፋኣለም ወልደየስ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሑ። እቲ ጋዜጠኛ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሕ እንከሎ፡ ሎሚ ከም ዝተፈትሐ ቢቢሲ ካብ ጠበቕኡን ካብቲ ጋዜጠኛን ከረጋግጽ ክኢሉ። \"ተፈቲሐ ኣለኹ፤ ካብ ካብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝወጽእ ሰለስተ ደቒቕ ኮይኑ ኣሎ\" ክብል ጋዜጠኛ ተስፋኣለም ተዛሪቡ። ሎሚ ተሓለቕቲ መሰላት ጋዜጠኛታት ኮሚቲ ቱ ፕሮቴክት ጆርናሊስትን [ሲፒጄ]ን ሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስን መስራትን ኣሰናዳእን ድረ ገጽ ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ጋዜጠኛ ተስፋኣለም ወለደየስ ንክፍታሕ ሓቲቶም'ዮም። እቲ ጋዜጠኛ ብቐዳም ኣብ ዝነበረ ክብረ በዓል ኢሬቻ ብፌስቡክ ድሕሪ ዝፈነዎም ቪድዮታት ተቓውሞ መናእሰይ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ሲፒጄ ጠቒሱ። ፖሊስ ፌደራል ጋዜጠኛ ተስፋኣለም ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ፖሊስ ከም ዝርከብ ትማሊ ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ። ምኽትል ሓላፊ ቢሮ መርመራ ገበን ኣቶ ሙሊሳ ኣብዲሳ \"ኣብ ሜክሲኮ ቤት ጽሕፈት መርመራ ፖሊስ ፌደራል\" ከም ዝርከብ ብምግላጽ \"ዋላ ሓደ ዝተፈጥረ ነገር የለን፤ እቲ ዘሎ ነገር ከኣ ነጻርዮ ኣለና። ምንም ዘስግእ ነገር የለን\" ምባሉ ይዝከር። እቲ ጋዜጠኛ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወሉ ምኽንያት ግን ብዝርዝር ኣይገለጸን። እዚ ተግባር \"መንግስቲ ኣብ ክንዲ ናጽነት ፕሬስ ወይ ሽፋን ተቓውሞ ምትብባዕ ንምዕፋን ዝግበር ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ዘቃልዕ'ዩ\" ክብል ሲፒጄ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። ስለ ዝኾነ ድማ እቲ ጋዜጠኛ ብህጹጽ ክፍታሕ ጠሊቡ። ተስፋኣለም ቅደሚ ሕጂ ብገበን ሽበራ ተኸሲሱ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ከም ዝተኣሰረ ብምግላጽ \"መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ናብቲ ዝነበረ ናይ ሚዲያ ዓፈና ምምላሱ ዘሕዝን'ዩ\" ክብል ሲፒጄ ገሊጹ። ሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ ብወገኑ ኣብቲ በዓል ዝተሰምዑ ድምጽታት ተቓውሞ ክቐጽር እንከሎ ኣብ ቀይዲ ዝወዓለ ተስፋኣለም ብህጹጽ ክፍታሕ ንሓትት ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ነይሩ። \"ኣብታ ሃገር ኣንጻር መንግስቲ ዝካየዱ ተቓውሞታት ምቕዳሕ ኩልኩል ድዩ? ንሱ ካብ ስርሑ ወጻእ ካልእ ኣይገበረን፤ ጋዜጠኝነት ገበን ኣይኮነን\" ክብል መልእኽቱ ኣሕሊፉ። ጋዜጠኛ ተስፋኣለም ዝተፈላለዩ ትንታነታት ዜና ዝቐርበሉ 'ኢትዮጵያ ኢንሳይደር' ዝተባህለ ድረ ገጽ መስራትን ኣዳላውን ኮይኑ፡ እቲ ድረ ገጽ ፖለቲካዊ ዜናታት ብምቕራብ እናተፈለጠ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብዙሓት ሰዓብቲ ከፍሪ ኽኢሉ'ዩ። እቲ ጋዜጠኛ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም በዓል ኢሬቻ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክኽበር እንከሎ ኣንጻር መንግስቲ ንዝተሰምዑ ድምጽታት ተቓውሞ ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ ፌስቡክ ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ዘርጊሑ ነይሩ። ምንጪታት ቢቢሲ፡ እቲ ጋዜጠኛ ኣብ ቀይዲ ምስ ኣተወ መንበሪ ገዝኡ ከም ዝተፈተሸ ገሊጾም። ተስፋኣለም ብኢንግሊዝኛ ኣብ ዝሕተም ጋዜጣ ‘ኣዲስ ፉርቹን’ ከምኡ’ውን ናይ ኣምሓርኛ ‘ኣዲስ ነገር’ ዝሰርሐ ኮይኑ ምስ ሞይኡ ብዝተሓሓዝ ተሰዲዱ ነይሩ። ፖሊስ ነቲ ጋዜጠኛ ኣብ ቁጽጽር ዘውዓለሉ ምኽንያት ክገልጽ’ኳ እንተዘይከኣለ መሓዙቱ ግን ምስ ስርሑ ብዝተሓሓዝ ክኸውን ከም ዝኽእል ይዛረቡ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58787133"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ \"ሚዲያ ነቲ ዝመጽእ ዘሎ ሓድሽ ዓይነት መጥቃዕቲ ክዳሎ ኣለዎ\" - ጸዳለ ለማ","content":"መስራቲት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብበዓል መዚ ብሮድካስት ናይ ስራሕ ፍቓዱ ተኣጊዱ ናይ ዝነበረ ኣዲስ ስታንዳርድ ጸዳለ ለማ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝተለመዱ መጥቃዕታት ዝተፈለየን ጎናዊ ሳዕቤን ዘለዎን መጥቃዕቲ ይርኣይ ኣሎ ብምባል ጋዜጠኛታት ኢትዮጵያ ነዚ ድሉዋት ክኾኑ ከምዝግባእ ሓቢራ። እታ ጋዜጠኛ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበራ ጻንሒት፡ ቅድሚ ሕጂ መራኸብቲ ሓፋሽ መሰሎም ንክኽበር ምስ መንግስቲ ይቃለሱ ምንባሮም ብምዝኽኻር፡ ሕጂ እዚ ተቐይሩ’ዩ ኢላ። እዚ ብፍላይ ኣብ ኢንተርነት ብሰፊሑ ዝርኣይ ዘሎ ምዃኑ ትዛረብ። ጸዳለ ለማ መንግስቲ መጥቃዕታት ናብቲ ናይ ብሕቲ ዓውዲ ብምስግጋር ዘብጽሖ ጸቕጢ ኣመና ከም ዘተሓሳሰባን ጠጠው ክብል ከም ዘለዎን እያ ትገልጽ። እዞም መጥቃዕታት ዝበለቶም ካብ ውልቀሰባት፣ ገለ ትካላትን ምስ መንግስቲ ቅርበት ዘለዎም ውልቀሰባትን ዝበጽሕ መድሃልትን ምፍርራሕን ዘጠቓልል ምዃኑ ትጠቅስ። ሓሓሊፉ ዝለኣኹ መልእኽታት “ንኣባላት ስድራ ከይተረፈ ዘፈራርሑ ይኾኑ ኣለው\" ትብል። “እዚ ጋዜጠኛታት ክዳለውሉ ዘለዎም ሓድሽ ክስተት’ዩ። ክኸውን ዘይግብኦ ግን ድማ ፈጢጡ ዝመጽእ ዘሎ ነገር እዩ። እቲ ሕጂ ዝተገብረ’ውን ንሱ’ዩ። ሓደ በዓል ስልጣን መንግስቲ “ጡብ ኣደ ዝነኽሱ” ክብል እንከሎ ኣሽሓት ደገፍቲ መንግስቲ ከምኡ’ዮም ዝርድኡዎ። እቲ ሚዲያ ካብ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ንርእሱ ንኽከላኸል እዚ ትምህርቲ ክኾኖ ይግባእ” ኢላ። ውሳነ በዓል መዚ ብሮድካስት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ፡ ጋዜጣ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣብ ዝሰርሖም ጸብጻባት፡ \"መንግስቲ ብውሳነ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንህወሓት ‘ኣሸባሪ ጉጅለ’ ኢሉዎ እናሃለወ ሓይልታት ትግራይ ዝብል ሽም ብምሃብ ንተግባራት ሽበራ ይድግፍ ኣሎ\" ብዝብል ክሲ ፍቓዱ ከም ዝኣገዶ ይዝከር። ጸዳለ ለማ ግን፡ እቲ በዓል መዚ ፍቓድ ኣዲስ ስታንዳርድ ዝኣገደሉ መገዲ \"ንሕጊ እቲ በዓል መዚ ዝጥሓሰን ብዝግባእ ዘይተሓሰበሉን ስለ ዝኾነ ዘሰንብድ’ዩ\" ትብል። እቲ በዓል መዚ ብመሰረት እቲ ሓድሽ ሕጊ ሚዲያ ዝተዋህቦ ስልጣን ብምጥሓስ “ፍቓድ ኣሕታሚ ትካል ኣዲስ ስታንዳርድ ዝኾነ ጃኬን ኣጊደዮ’የ ምባሉ ግቡእ ኣይኮነን” ብምባል እቲ ትካል ተኻቲዑ’ዩ። መስራቲት እቲ ትካል ጸዳለ ለማ’ውን ነቲ ኣሕታሚ ትካል ፍቓድ ዝሃቦ ሚኒስቴር ንግድን ኢንዳስትርን ኮይኑ እናሃለወ፡ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ስጉምቲ ምውሳዱ ልክዕ ከም ዘይኮነ ብምግላጽ \"ሓላፍነቱ ኣብ ኦንላይን ዝፍጸሙ ነገራት ምክትታል ጥራሕ እዩ\" ትብል። \"ስለ ዝኾነ ድማ ምኽባር ሕጊ ካብቶም ፈጸምቲ ኣካላት ክጅምር ኣለዎም\" ዝበለት ኮይና “እቲ ኣኽባሪ ሕጊ’ውን ካብ ሕጊ ንላዕሊ ከምዘይኮነ ገሊጻ። ኣብ ክሊ እቲ ተፈጺሙ እትብሎ ጥሕሰት ሕጊ፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እቲ ትካል ኣብ ልዕሊ ኣዲስ ስታንዳርድ መሰረት ዘይብሉን “ነኻሲ ጡብ ኣደን ባንዳን\" ዝብሉ ርኢቶታት ከም ዝዘርግሐ ኣዘኻኺራ። እዚ ውልቀሰብ ዝሃቦ ርኢይቶ ኣብ ልዕሊ እቲ ትካል ዝተመሓላለፈ ውሳነ ጸቕጢ ኣሕዲሩ ከይኸውን ንክጻረ ምስቲ በዓል መዚ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ሓቲቶም ኣለው። ብተወሳኺ “ኣጀንዳ ሽብርተኛ ጉጅለ የሰጉም’ዩ” ዝብል ክሲ ወግዓዊ መብርሂ ክወሃቦን እዚ ብቐሊሉ ዘይውሰድን ህይወትን ድሕነትን ሰራሕተኛታት እቲ ሚዲያ ኣብ ሓደጋ ዘእተወ ምዃኑን ገሊጻ። ድሕሪ እዚ ኣዳለውቲ ኣዲስ ስታንዳርድ ምስ ሓላፊ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣቶ ኢድሪስ መሓመድ ኣብ ዘካየዱዎ ዘተ ኣብ ምርድዳእ ከም ዝበጽሑ እቲ በዓል መዚ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ ኣሎ። እቲ ዝተኣገደ ፍቓድ ናይቲ ትካል ምምላስ ሓዊሱ እቲ በዓል መዚ ዘቕረቦም ክስታት ወግዓዊ መብርሂ ንምሃብ ቃል ከም ዝተኣትወሎም ብምግላጽ ኣዲስ ስታንዳርድ ትማሊ ሮቡዕ ድሕሪ ቐትሪ ናብ ስርሑ ከም ዝተመልሰ ጸዳለ ሓቢራ። ‘ብውልቂ መንግስቲ ምንቃፍ ሕገ መንግስታዊ መሰለይ’ዩ’ ጋዜጠኛ ጸዳለ ለማ፡ ንዓመታት ብርክት ዝበሉ ሰብ ሞያ ጽዒሮምሉ ዝጸደቐ ዝተመሓየሸ ሕጊ ሚዲያ ንናጽነት መራኸብቲ ሓፋሽ ዓብዪ እጃም ከም ዘለዎ ትዛረብ። እቲ ሕጊ “ዘይተገደበ፤ ግን ድማ ብዙሕ ሓላፍነት ዘለዎ መሰል ዝህብ ምዃኑ ርኢና ንሕና’ውን ከም ሚዲያ ዝተፈላለዩ ናይ ምስፋሕ ስራሕቲ ክንገብር ክኢልና ኢና። እዚ ነቲ ሕጊ ብምትእምማን ዝገበርናዮ’ዩ” ትብል። ኣዲስ ስታንዳርድ ዝተዋህቦ ናይ ስራሕ ፍቓድ ዝተኣገደሉ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ብዘቕርቦ ነቐፌታ’ዶ ይኸውን? ዝብል ሕቶ ዝቐረበላ ጸዳለ “ኣዲስ ስታንዳርድ ትካል’ዩ፤ ብውልቂ ዘቕርቦ ነቐፌታ እንተኾነ’ውን ሕገ መንግስታዊ መሰለይ’ዩ” ዝብል ምላሽ ሂባትሉ። “ኣነ ብዝዛረቦ ነቐፌታ ነቲ ትካል ምዕጻው እንታይ ማለት’ዩ? ሓደ ሰብ ንሓደ መንግስቲ ክነቅፍ ኣይክእልን ማለት ድዩ? ሕገ መንግስታዊ መሰለይ’ዩ። ኢትዮጵያ ዴሞክራሲያዊት ክንገብራ ኢና እንተተባሂሉ መጀመርታ ውልቀሰባት ምስ መንግስቲ ብሓሳብ ናይ ዘይምስምማዕ መሰሎም ክኽበር ኣለዎ” ኢላ። ወሲኻ “ኣነ ብኹሉ ነገር ዝሰማማዕ ኣይኮንኩን፤ ከምኡ’ውን ኣይነበርኩን . . . ኣይኸውንን’ውን። ኣብ ግዜ ኢህወዴግ\/ህወሓት ነቓፊት ነይረ። እዚ ንምንታይ ሚዲያ የዕጹ? ሕግን ስርዓትን ዘለዎ ሃገር እንድዩ” ትብል። ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ካብ መጀመርታ ኣትሒዛ ትቃወሞ ከም ዝነበረት እትዛረብ ጋዜጠኛ ጸዳለ “ካብታ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ጀሚሮም ዝድግፉ ዝነበሩ ሰባት ኣለው፤ ከምዚ ዓይነት ጸገም በጺሑዎም ድዩ?” ክትብል ትሓትት። ኣዲስ ስታንዳርድ ቅድሚ 12 ዓመት ወርሓዊ ናይ ኢንግሊዘኛ መጽሄት ኮይኑ ክጣየሽ እንከሎ፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ተኣዊጁ ዝነበረ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ብዘቐመጦም ዓንቀፍቲ ኣሰራርሓታት ምኽንያት ስራሕቱ ሙሉእ ንሙሉእ ኣብ ኢንተርነት ክኸውን ገይሩ ይርከብ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57925736"} {"headline":"ጋዜጠኛ ቢቢሲ ግርማይ ገብሩ ሎሚ ብዘይ ክሲ ነጻ ተለቒቑ","content":"ኣብ ከተማ መቐለ ብወተሃደራት መንግስቲ ተኣሲሩ ዝነበረ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ግርማይ ገብሩ ሎሚ ብዘይ ክሲ ነጻ ተለቂቑ። ግርማይ ገብሩ፡ ሰኑይ 1 መጋቢት 2021 ወታሃደራዊ ልብሲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዝተኸድኑ ወታሃደራት፡ ካብ ሓደ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ እንዳ ሻሂ ምስ ካልኦት 4 ሰባት ተወሲዱ ነይሩ። ጋዜጠኛ ታምራት የማነ ከምኡ'ውን ከም ተርጎምቲ ኮይኖም ምስ ፋይናንሻል ታይምስን ኤ-ኤፍ-ፒን ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣሉላ ኣካሉን ፍጹም ብርሃነን'ውን ከምዝተፈትሑ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ምኽንያት መእሰሪኦም ዛጊት ብወግዒ ኣይተገልጸን። እቲ ኣባል ቢቢሲ ትግርኛ ዝኾነ ግርማይ፡ ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልታት ማእሰርቲ ናብ ቤቱ ምምላሱ ከምዘሐጎሶ ተዛሪቡ። ብዛዕባ ምፍታሕ ናይቶም ብሰኑይ ምስኡ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ 4 ጎረባብቱ ግን ዝተፈልጠ ነገር የለን። ሰራዊት መንግስቲ ካብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ክዋጋእ ምጽንሑ ይፍለጥ። መንግስቲ፡ ዓለምለኻውያን ጋዜጠኛታት ናብቲ ክልል ከይኣትዉ ንኣዋርሕ ኣጊዱ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንገለ ካብኦም ፍቓድ ምሃቡ ይዝከር። ኤ-ኤፍ-ፒን ፋይናንሻል ታይምስን ካብቶም ናብቲ ክልል ክኣትዉ ፍቓድ ዝረኸቡ'ዮም። ይኹን እምበር ሰራሕተኛታቶም ምእሳሮም ኩነኔ ማሕበረሰብ ዓለም ኣስዒቡ'ዩ። መንግስቲ ኣመሪካ፡ ንጻውዒት ሜድያታት ዓለም ብምድጋፍ፡ እቶም ጋዜጠኛታትን ተሓጋገዝትን ክፍትሑ ጸዊዑ ነይሩ። ኣፈኛ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ነድ ፕራይስ፡ ማእሰርቲ ናይቶም ጋዜጠኛታት ምስቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝሃቦ ፍቓድ ዘይቃዶ'ዩ ክብል ተሰሚዑ። ዋላ'ኳ ኣብ መወዳእታ ሕዳር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሰራዊቱ ንመቐለ ድሕሪ ምሓዝ፡ እቲ ዝኣወጆ ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ብዓወት ከምዝተዛዘመ እንተገለጸ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ረጽሚ ይቕጽል ከምዘሎ ይንገር። እቲ ን6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣብታ ክልል ዝኣወጆ ህጹጽ ግዜ'ውን ጸኒዑ'ሎ። እቲ ኲናት ሂወት ብኣማኢት ወይ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ቀዚፉ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት። ልዕሊ 2.2 ሚልዮን ኣብቲ ክልል ካብ ኣባይቶም ክፈናቐሉ እንከለዉ፡ ልዕሊ 60,000 ድማ ናብ ሱዳን ክሃድሙ ተገዲዶም'ዮም። ማሕበረሰብ ዓለም ኣብቲ ኲናት ብኩሎም ወገናት ተፈጺሞም ብዛዕባ ዝባሃሉ ግፍዕታትን ገበናትን፡ ከምኡ'ውን እቲ ኲናት ፈጢርዎ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ሻቕሎቱ ይገልጽ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓደ ብዓልስልጣን ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና፡ \"ኣብ ልዕሊ'ቶም ንዓለምለኻውያን ማዕከናት ዜና ዘጋግዩ ስጉምቲ ክውሰድ'ዩ\" ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/56263814"} {"headline":"ኡጋንዳ፡ ተጠቀምቲ ኢንተርነት ካብ ሎሚ ጀሚሮም ግብሪ ክኸፍሉ ክኸፍሉ ዘግድድ ሓድሽ ኣተኣታትያ","content":"ነበርቲ ኡጋንዳ ዝኾኑ ተጠቀምቲ ኢንተርነት ካብ ሎሚ ሓሙስ ጀሚሮም 12 ሚእታዊት ግብሪ ክኸፍሉ ክጅምሩ እዮም። እዚ ሓድሽ ሕጊ ነቲ ኣብ 2018 ዝወጽአ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ግብሪ ክኸፍሉ ዘገድድ ሕጊ ዝትክእ እዩ። እዚ ሓድሽ ሕጊ ካብ ሎሚ ጀመሩ ምስ ምጅማር ባጀት ፍርቂ ዓመት ዓመተ 2021 እዩ ተግባራዊ ክኸውን። እቲ ሕጊ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት'ዩ ኣብ ባይቶ ቀሪቡ ተዘትይሉ ክጸድቅ ክኢሉ። እቲ ኣገባብ ኣከፋፍላ፡ ተጠቀምቲ ንሞባይል 'ዳታ' ኣብ ዝገዝእሉ እቲ ንመንግስቲ ኣታዊ ዝኸውን ብቀጥታ ክቁረጾም'ዩ። እንተኾነ ንትምህርታውን ሕክምናዉን ኣገልግሎታ ዝግዛእ 'ዳታ' ካብ ግብሪ ነጻ እዩ ክኸውን እኳ እንተተባህለ ብኸመይ ክፍለ ከም ዝኽልእ ግን ዝወጽአ መብርሂ የለን። እቲ ኣብ 2018 ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ግብሪ ክኸፍሉ ዘገድድ ሕጊ ምስ ተኣወጀ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይቲ ዓመት ብህቡብ ተቃዋሚ ቦቢ ዋይን ዝምራሕ ብርቱዕ ህዝባዊ ተቃውሞ ተላዒሉ ምንባሩ ዝዝከር'ዩ። መንግስቲ ነቲ ተቃውሞ ንምብታን ዝተጠቐመሉ ሓይሊ'ውን ዘይግቡእ'ዩ ነይሩ ተባሂሉ ይንቀፈሉ'ዩ። ብዙሓት ኡጋንዳውያን ነቲ ብመንግስቶም ዝተነበረሎም ግብሪ ንዘይምኽፋል ቪፒኤን ዝብሃል ኣገባብ እዮም ዝጥቀሙ። ብሰንኪ እዚ እቲ ሕጊ ክንድቲ ትጽቢት ዝተገበረሉ ገንዘብ ከእቱ ኣይከኣለን። ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ኡጋንዳ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2019 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ካብ ዓመተ 2018-2019 ካብ ግበሪ ኣገልግሎት ማሕበራዊ ሚድያ 80 ሚልዮን ዶላር ክእክብ እኳ ወጢኑ እንተነበረ፡ 14 ሚልዮን ዶላር ጥራይ ከም ዝረኸበ'ዩ ሓቢሩ። እዚ ተጠቀምቲ ኢንተርነት ግብሪ ክፈሉ ዘገድድ ሕጊ፡ ዓቢ ተቃውሞ'ዩ ዝገጥሞ ዘሎ። ብፍላይ ኣብ ኢንተርኔት ዝምርኮስ ንኣሽቱ ትካላት ዘለዎም መንእሰያት ኣብ ልዕሊ እቲ ሓዲሽ ሕጊ ዘለዎም ተቃውሞ ብኣግኡ ይገልጹ ኣለዉ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57678084"} {"headline":"ናጽነት ፕረስ: ኤርትራ ብእገዳታት ፕረስ እታ ዝኸፍአት ምዃና ዶብ-ኣልቦ ጋዜጠኛታት ገሊጹ","content":"ዶብ-ኣልቦ ጋዜጠኛታት ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ማሕበር ኣብ ዘውጽኦ ዓመታዊ ናይ ፕረስ ናጽነት ጸብጻቡ፡ ንኤርትራ ኣብ መወዳእታ ሰሪዑዋ። እቲ 'ሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማሕበር፡ ብዓለም ደረጃ ኣብ ዘካይዶ መዐቀኒ ናጽነት ፕረስ፡ ንሰሜን ኮርያ፡ ቱርክመኒስታን፡ ቻይናን ጂቡቲን ዝርከብአን ሓያሎ ሃገራት ናጽነት ጋዜጠኛታት ዝተገደበለን ዝኸፍኣ ሃገራት ክብል ኣብ መዝገቡ ኣስፊሩወን ኣሎ። ስዑዲ ዓረብ፡ ግብጺ፡ ሶማልያ፡ ሊብያ፡ ሶርያን ዒራቕን'ውን ካብተን ኣብ ታሕቲ ሰፊረን ዘለዋ'የን። እታ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጸብጻብ ናይቲ ትካል ኣብ መበል 178 ተሰሪዓ ዝነበረት ኤርትራ፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ክልተ ደረጃ ንታሕቲ ብምውራድ ካብ 180 ሃገራት መበል 180 ኮይና'ላ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መስከረም 2001 ናጽነት ፕረስ ኣብ ምግዳብ ኣብ ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ምዕጻዉን፡ ሓያሎ ካብ ኣዳለውተንን ጋዜጠኛታተንን ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ምስዋሩን ይፍለጥ። ኣብ ዝቐጸሉ ዓመታት፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ጋዜጠኛታት ብሕትን መንግስትን ብሰንኪ'ቲ ኩነታት ናብ ስደት ከምዘምርሑ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብታ ሃገር ኩሉ ትካላት ሜድያ ብመንግስቲ ዝውነን ምዃኑን፡ ጋዜጠኛታት መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ከይተረፈ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣትዉን ጸብጻባት የረድኡ። እታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መበል 99 ዝነበረት ኢትዮጵያ'ውን ብተመሳሳሊ ክልተ ደረጃ ብምውራድ፡ ኣብ መበል 101 ተሰሪዓ'ላ። ዋላ'ኳ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝደየበሉ እዋናት፡ ብዙሓት ትካላት ሜድያ ብናጽነት ክንቀሳቐሳ ምፍቃዱ ብዙሕ ናእዳ እንተጥረየሉ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ግን፡ ምዕጻው ትካላት ሜድያን ምእሳር ጋዜጠኛታትን ምርኣዩ ክንቀፍ ጸኒሑ'ሎ። እቲ ማሕበር ከምዝበሎ፡ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና፡ ቅኑዕ ዘይኮነ ሓበሬታ ኣብ ዘመሓላልፍሉ እዋን፡ ጋዜጠኛታት ናጻ ፕረስ ንዕኡ ዝጻረርን ዘስተኻኽልን ሓበሬታ ምዝርግሖም ኣደዳ እገዳታትን ማሰርትን ከምዝኾኑ ገሊጹ። ማሕበር ዶብ-ኣልቦ ጋዜጠኛታት፡ ካብ 2002 ጀሚሩ ዓመታዊ ጸብጻብ ናጽነት ፕረስ ሃገራት ዓለም ከውጽእ ምጽንሑ ይፍለጥ። መዐቀኒ (ኢንደክስ) ናይቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ብዙሕነትን ናጽነትን ማዕከናት ዜና፡ ሕግታት ሃገራትን ድሕነት ጋዜጠኛታትን ዝርከብዎም ረቛሒታት መሰረት ዝገበረ'ዩ። ኣብዚ ናይ 2021 ጸብጻብ ብናጽነት ፕረስ ኣብ ቀዳማይ ዓሰርተ ደረጃታት ተኸታቲለን ዝተሰርዓ ሃገራት፡ ኖርወይ፡ ፊንላድ፡ ስዊድን፡ ዴንማርክ፡ ኮስታሪካ፡ ሆላንድ፡ ጀማይካ፡ ኒዊዝላንድ፡ ፖርቱጋልን ስዊዘርላንድን እየን። ካብ ዓበይቲ ምዕራባውያን ሃገራት ድማ፡ ጀርመን መበል 13፡ ካናዳ 14፡ ብሪጣንያ 33፡ ፈረንሳ 34 ክኾና እንከለዋ፡ ንኣመሪካ ድማ ኣብ መበል 44 ሰሪዑዋ ይርከብ። ካብተን ብናጽነት ፕረስ ዝሓሻ ዝተባህላ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ፡ እታ ኣብ መበል 24 ዝተሰርዐት ናሚብያ ቀዳመይቲ፡ ኬፕ ቬርደ 27፡ ጋና 30 ከምኡ'ውን ደቡብ ኣፍሪቃ 32፡ ተሰሪዐን ኣለዋ። ኣብታ ኣህጉር ንናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታት ዝኸፍኣ ተባሂለን ዝተጠቕሳ ሃገራት ከኣ፡ ኤርትራ፡ ጂቡቲ፡ ግብጺ፡ ሊብያ፡ ኢኳቶሪያል ጒኒን ሶማልያን ምዃነን እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ'ሎ። ቡሩንዲ፡ ሴራልዮንን ማሊን ግን ኣብቲ ዓመት ምምሕያሽ ኣርእየን ዝተባህላ ሃገራት ኣፍሪቃ ምዃነን ተፈሊጡ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56821652"} {"headline":"ሰቲት፡ ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ሰቲት ዝነበረ ጋዜጠኛ ፕሮፌሰር ኣሮን ብርሃነ","content":"ኣብ ባሕቲ ግንቦት 2021 ብሃንደበታዊ ሕማም ዝተኾልፈ መስራትን ኣዳላውን ናይታ ፈላሚት ኤርትራዊት ጋዜጣ ብሕቲ \"ሰቲት\" ነበር፡ ድሕሪ ስደቱ ብዘኻዕበቶ ትምህርትን ፍልጠትን ናይ ፕሮፌሰር መዓርግ ዝተዋህበ ኣሮን ብርሃነ ሓደ ካብቲ ብዙሕ ኣብነታት እዩ። ሃንደበታዊ ሕልፈት ኣሮን ንብዙሓት ፈለጥቱን ፈተውቱን ተኸታተልቲ መደባቱን ኣዝዩ እዩ ኣሰምቢዱዎም። ሃገራዊ ናጽነት ኣብ ምርግጋጽ ኣብ ዝተኻየደ ዕጥቃዊ ቃልስን ድሕሪ ናጽነት ደሞክራሲያዊ ስርዓተ ምሕደራ ንክረጋገጽ ኣብ ኤርትራን ስደትን ኣብ ዘካየዶ ቃልሲ ዝፈልጡዎ ብጾቱን መቓልስቱን ተኸታተልቲ መደባቱን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሞቱ ዝተሰመዖም መረር ሓዘን ይገልጹ ኣለው። ኣሮን ብርሃነ መን እዩ? ኣሮን ብርሃነ፡ ብ1969፡ ካብ ጽቡቕ ዝመነባበሮኣ ስድራ ቤት ኤርትራ፡ ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ምስ አሕዋቱን ስድርኡን ብፍቕሪ ማሚቚ ዓብዩ። እንተኾነ ብ1975 ስርዓት ደርግ ኣብ ከተማታት ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣስመራ ብዙሓት ተሓባበርቲ ሻዕቢያ እዮም ንዝበሎም መንእሰያት ዝቐትለሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ምስ ህዝባዊ ግንባር ርክብ ዝነበሮ ወላዲኡ \"ጠፋእካ\" ምስተባህለ፡ ነብሱ ከውጽእ ደቁን ሓዳሩን ገዲፉ ንበረኻ ከይዱ። ንወላዲኡ ኣቶ ብርሃነ ዝደለዩ ኣባላት ጸጥታ ደርግ ንገዛ መጺኦም፡ ብርሃነ ተሓቢኡ ከይህሉ ክፈታትሹ ነታ ገዛ ግልብጥብጥ ኣቢሎምዋ። ንኣቡኡ ስለዝሰኣኑዎ ከኣ ንጓል ሸሞንተ ወርሒ እትጠቡ ሕጻን ሓፍቱ ካብ ወላዲታ መንጢሎም ኣብ ዓራት ብምድርባይ ንኣዲኡ ኣሲሮም ወሲደምዋ። ሽዑ ኣሮን ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ቖልዓ እዩ ነይሩ። እቲ ዝዓበየ ወዲ 14 ዓመት ዓቢ ሓውን እታ ዝነኣሰት ጓል ሸሞንተ ወርሒ ሕጻን ሓፍቱ ዝርከቡዎም አሕዋቱ ግፍዒ ገዛእቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ክፍጸም ርእዮም። ብድሕሪኡ ቤተሰብ ናብ እንዳ ኣባሓጉኦም ወሲዶምዎም። ኣይደንጎየን ግን እቲ ገዲፉዎም ናብ በረኻ ዝወጽአ ተጋዳላይ ወላዲኦም፡ በዓልቲ ቤቱ ምስተፈትሐት ካብ ዓዲ ጠራኒፉ ንኹሎም ደቁ ሒዙዎም ንሳሕል ወሪዱ። ኣሮን እምበኣር ካብ ዕድመ ቑልዕነቱ ብተመሳሳሊ ግፍዒ ጸላኢ ካብ ቤት ንብረቶም ምስ ዝተመዛበሉ መዘናታቱ ቖልዑ ኣብ በረኻታት ሳሕል ኣብ ኣጻድፍን በዓትታትን ትሕቲ መሬት ኣብ ዝተሃንጸ ጎዳጉድን ከምዘሕለፎ ሓደ ካብ መተዓብይቱ ኣባል ቤት ትምህርቲ ሰውራ ጸጋይ ገብረሂወት ይዛረብ። ጸጋይ፡ ንኣሮን ወዲ 10-11 ዓመት ኣቢሉ እንከሎ ኣብ ሳሕል'ዩ ዝዝክሮ። ኣብቲ ቖልዑት ዝነበሩሉ እዋን፡ ኣሮን ከም ዝኾነ ቖልዓ ሃንደራእ ኢሉ ዘይዛረብ ኣዝዩ ስቕ በሃሊ ህዱእ ሰብ ምንባሩ ይዝክሮ። ኣብ ቁልዕነቱ ሓጺርን ከቢብን ብምንባሩ \"ኣሮን ከቢብ\" ተባሂሉ ይጽዋዕ ምንባሩ፡ ዳሕራይ ኣብ ጉብዝንኡ ቁመት ምስ ወሰኸ ከኣ ንፉዕ ተጻዋታይ ባስኬተ -ቦል ምዃኑ ይነግር። ኣሮን ኣብ መደብ ምጥፋእ መሃይመነት ኣብ ቃልሲ ህዝባዊ ግንባር፡ ኣብ 1983 ኣብ ሓራን ሓውሲ ሓራን ገጠራት ንዝርከቡ፡ ብሰንኪ ኵናትን ማሕበራዊ ናብራን መጓሰን ሕርሻን ናይ ትምህርቲ ዕድል ንዘይረኸቡ፡ ጓሶትን ሓረስቶትን ኣዴታትን ኣቦታትን ምጽሓፍን ምንባብን ንኪኽእሉ ዘንቀደ ወፈራ ምጥፋእ መሃይምነት ኣዊጁ። እቶም ኣብዚ ዕማም እዚ ዝተሳተፉ ከኣ ኣብ ሓራ መሬት ሳሕል ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ቁሩብ ናይ ትምህርቲ መንቋሕቋሕታ ዝረኸቡ ኣሮንን ብጾቱን ነይሮም። እዞም ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ዘይመልኡ ትሕተ ዕድመ ቖልዑ በቲ ሓደ ብረት በቲ ሓደ ከኣ መምሃሪ መጻሕፍቲ ዝመልአ ማህደር ተሰኪሞም ብቕሳነት ክትምህረሉ ኣብ ዘይከኣል ጽንኩር ቦታታት ተበላሒቶም መሃይምነት ከጥፍኡ ስራሕ ጀሚሮም። ኣሮን ዝርከባላ ኣሃዱ ምምህርና፡ ኣብ ዞባ እገላ ሓጺን ቴድረር ትምዝኣ፡ ኣብ ቀላይ በዓልቴት ስራሕ ጀሚራ። ኣሮን ኣወሃሃዲ እታ ጉጅለ ዘመተ ምምህርና ምንባሩ ሓላፊ ጋንትኡ ነበር ሰሎሞን ወልደንኪኤል (ሃለቃ) ይዛረብ። ህዝቢ እታ ኣሮን ዝምህረላ ዝነበረ ቀላይ በዓልቴት እትበሃል ዓድን ከባቢኣን፡ ፈለማ ነቲ ወፈራ ምጥፋእ መሃይምነት ኣይተቐበሎን ነይሩ። ዳሕራይ ግን ብሓውሲ ግዴታን ምርድዳእን ክመሃሩ ምስ ረደዩ፡ ብልዑል ጻዕሪ በዓል ኣሮንን ብጾቱን ኣብ ዓመትን መንፍቕን ኣቢሉ ኣስታት ሰለስተ ሚእቲ ሰብ ክጽሕፉን ከንብቡብን ምስ በቕዑ፡ እቶም ዓዲ፡ \" ብርሃን ይሃብኩም - ብርሃን ሂብኩሙና!\" ብምባል ከምዝመስገኑን እዚ ከኣ ሳላ ጻዕሪ በዓል ኣሮን ምንባሩ ይዝክር ሰሎሞን። ኣብ መስርሕ ዘመተ ምጥፋእ መሃይምነት ብዙሓት ትሕተ ዕድመ መማህራን ቤት ትምህርቲ ሰውራ፡ ብቃጻ ሃድን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተቐትሉን ተወጊኦም ዝተታሕዙን መንእሰያት ምንባሮም እቲ ወፍሪ ከቢድ ዋጋ ከምዝተኸፍሎ ይሕብር መጋይሽቱ። ኣሮን ከም መስራትን ኣካያድን ጋዜጣ ሰቲት ኣሮን ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ተቓሊሱ፡ ሰለስተ ኣባጽሕ አሕዋቱ ከፊሉ ምስ ዝተረፉ አሕዋቱን ወለዱን ኣብ 1991 ናጽነት ክርኢ በቒዑ። እንተኾነ እታ ኣብ ሳሕል ኣብ አእምሮኡ ዝተሃንጸት፡ 'ንዜጋታት ብፍትሕን ልዕልና ሕግን እተነባብር፡ ብልጽግትን ስልጥንትን ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣይረኸብኩዋን' ይብል ኣሮን። ነቲ ኣብ ብሰርዓት ደርግ ዝተወርሰ ንብረት ወላዲኡ ከጻርን ከምልስን ላዕልን ታሕትን ኣብ ዝብለሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ጽሕፈት ንዝዕዘቦ ዝነበረ ድኹም ምሕደራ ንኽመሓየሽ ብተደጋጋሚ ናብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዓምዲ ደብዳበታት ቀጻሊ ርእይቶ ይጽሕፍ እኳ እንተነበረ ግን ሰማዒ ከምዘይረኸበ ምስ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ይዛረብ። ብድሕሪኡ እምበኣር ድምጽኻ እተስምዓሉን ናይ ዘተን ልዝብን መድረኽ ዝኸፍት ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ኣገዳሲ እዩ ስለዝበለ ብዓቕሞ ዝኽእሎ መጽናዕቲ ብምክያድ ብ1996 ሕጊ ፕረስ ምስተኣወጀ ቀዳመይቲ ነጻ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ሰቲት መስሪቱ ንሓርነታዊ መሰል ዜጋታት ክቃለስ ጀሚሩ። እቲ ብፕሮፖጋንዳ መንግስቲ ጥራሕ ተባሒቱ ዝነበረ ጋዜጠኝነት ካልእ ርእይቶን ድምጽን ዘቕርቡ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ምስ መጽኡ ቀልጢፉ ዓብዩን ሰሲኑን። ደድሕሪ እታ ፈላሚት ጋዜጣ ሰቲት፡ ሌላና፡ ቀስተ-ደበና፡ ጽጌናይ፡ ኣድማስ፡ ዘመን፡ ዊንታና ካልእን ጋዜጣታት ፈልፊለን። \"ካብ መንግስቲ ብዙሕ ዕንቅፋት የጋጥመና እኳ እንተነበረ ብዝተኻእለና መጠን ስንና ነኺስና ቀጺልና\" ይብል ኣሮን ቅድሚ ሕልፈቱ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት። እተን ዝበዝሓ ኣብ ጽንኩር እዋን ኩናት ዶባት ዝተወልዳ ጋዜጣታት ብሕቲ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ብጾቱን ብዝተኸስተ ናይ ደሞክራሲያዊ ሕቶን ለውጥን ምኽንያት እተን ጋዜጣታት ርእይቶ ናይቶም ኣብ ጋዜጣታት መንግስቲ ርእይተኦም ከይቃላሕ ዝተነፍጉ ነቐፍቲ መራሕቲ ስለዘአንገዳ ብሰሉስ 18 መስከረም 2001 ብወግዒ ተኣጊደን ኣባላተን ከኣ ክእሰሩን ክህደኑን ጀሚሮም። ኣሮን \"ብዙሓት መሳርሕትና፡ መንግስቲ እዚ ነገር ክሳብ ዝሃደእ እዩ ዝኽልክለና ዘሎ እምበር እቲ ኩነታት ምስ ሃድአስ ስራሕና ክንቅጽል ከፍቅደልና እዩ\" ዝብል ርእይቶ እኳ እንተነበሮም ኣሮን ግን \" ደጊም ነገራት ተበላሽዩ እዩ ክንጥንቀቕ ጥራሕ እዩ ዝግበኣና\" ዝብል ርእይቶ ከምዝነበሮ ዝተሰነደ ታሪኹ የረድእ። ኣይደንጎየን ከኣ መንግስቲ ንኣሰናዳእቲ እተን ጋዜጣታት ክኣስሮም ምስ ጀመረ ኣብ ዶብ ብጠያይት አሕዋቱ ተሳሒቱ ንሱዳን ኣትዩ። ካብኡ ንካናዳ ኣትዩ ኣብቲ ንሓርነት ዝግበር ቃልሲ፡ ፊተ መሪሕ ኮይኑ ክዋሳእ ከምዝጸንሐ ኣብ ሓያሎ መደባት ሓቢራቶ ዝሰርሐት ተቓላሲት ሰብኣዊ መሰላት ኣካያዲት ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኤልሳ ጭሩም ትሕብር። ኣሮን ኣብ ከናዳ ድሕሪ ምእታው ደኺመ ከይበለ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቶሮንቶ፡ ካብ 2003-2004 ኣባል ክፍሊ ጋዜጠኝነት፣ ካብ 2005-2006 ኣብ ጆርጅ ብራውን ኮሌጅ ኣብ 'ምትሕብባር ፍሉይ ፕሮጀትታት'ን መምህርን ኰይኑ ሰርሐ። ጋዜጠኛ ኣሮን ሓያለ ኣህጕራዊ ሽልማትን ኣፍልጦን ከምዝረኸበን፡ ካብ 2005-2006 ኣብ ሸሪዳን ኮሌጅ ተሓጋጋዚ ምርምር፣ ካብ 2015 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ርየርሰን ከም ተሓጋጋዚ ምርምር፣ ካብ 2016 ኣትሒዙ ከኣ ኣብ ክፍሊ Liberal Art & Science ኮሌጅ ጆርጅ ብራውን፡ መምህር [ፕሮፈሰር] ኰይኑ ክሰርሕ ጸንሐ። በቲ ንሱ ዝገብሮ ዝነበረ ኣበርክቶ ድማ ኣብ 2009 ካብ ኢድ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ነበር ስቲፈን ሃርፐር፡ ሽልማት ክወስድ ዝበቕዐ፡ ዕውት በዓል ሞያ እዩ ነይሩ። ኣሮን ከም ድምጺ ውጽዓት ኣሮን ዕድለኛ ኮይኑ ካብ ሃድንን ማእሰርትን ስርዓት ኣስመራ እኳ እንተምለጠ ብዙሓት ካብቶም ናይ ቀረባ መሳርሕቱ ጋዜጠኛታትን ገዳይም መራሕቲ ግንባርን መንግስትን ተኣሲሮም ኣብ ዒላዒሮ ምስተዳጎኑ ኣብ ስደት እውን ኣይቀሰነን። ለይትን ቀትርን ብሓሳብን ዝኽርን ምሰኦም እዩ ዝሓድር። ስለዝኾነ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መጋባእያታት-ፍትሒ፡ ወጽዐኦም ክነግር ኣይደቀሰን። ጽልዋ ምስ ዘለዎም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ኣብ መጋባእያ ባይቶ ሕቡራት ሃገራትን እናቐረበ ከኣ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት የረደእን ውልቃዊ ተመኩሮኡ የካፍልን ነይሩ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ሓንቲ ካብቶም ናይ ቀረባ መቓልስቱ ኤልሳ ጭሩም \"ኣሮን ንካናዳ ምስተሰደ እውን ንቅሓት ህዝቢ ንምዕባይ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት እትህብ \"መፍትሕ\" ዝስማ ጋዜጣ መስሪቱ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ንኣስተምህሮኣዊ ጽሑፋት ከምዘበርከትን ንጸሓፍቲ ሓሳቦም ክገልጹ ባይታ ከምዝፈጠረን\" ትሕብር። ብተወሳኺ ኣሮን እቲ ኣብ ብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስደት ንዝነብሩ ኤርትራውያን ዘጋጥሞም ናይ 2% ግዱድ ግብርን ጸቕጥን ብደረጃ መንግስቲ ካናዳ ደው ከምዝብል ዝገበሩን ዝጸዓሩን ውፉያት ሰባት ሓደ እዩ ክትብል ትገልጾ። ኣብ ርእሲኡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣኼባታት ሰብኣዊ መሰላት እናተረኽበ ስለቶም ብዘይ ፍርዲ ተኣሲሮም ዝርከቡ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ናይ ስራሕ ብጾቱን ብምጽሓፉን ምምጓቱን ካብ ዝተፈላላዩ ማሕበራትን ትካላትን ሽልማት ከምዝተቐበለ ተረድእ። ኣብ ካናዳ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ክሳብ ዕለተ ሕልፈቱ ከኣ ከም ጋዜጠኛ፡ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ምስ ኢምግሬሽን ኣብ ዝተተሓሓዝ ጉዳያት ኣማኻርን መምህርን ኮይኑ ክነጥፍ ምጽንሑ ዝፈልጡዎ ይሕብሩ። ኣሮንን ስድራ-ቤቱን ስድራ-ቤታት ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ኤርትራ ግዳይ ፖለቲካዊ ዓፈና ኮይኖም ከቢድ ዋጋ እዮም ዘሕልፉ። ንነገሩ ምልካዊ ስርዓታት ብስም እምበር ብተግባር ኣይፈላለዩን እዮም ዝብል ጸጋይ ገብረሂወት፡ መለኽቲ ኣፍ ተቓወምቶም ንምዕባስ ንትሕተ ዕድመ ቖልዑ ከይተረፈ ግዳይ ከምዝገብሩዎም ኣብ ታሪኽ ተሰኒዱ እዩ። ስድራ ቤት ኣሮን ብርሃነ እውን ተመሳሳሊ ዕጫ እዩ ኣጋኒፉዎም። ነቶም ነብሱ ከድሕን ደቂሶም እንከለው ስዒሙዎም ዝተሰናበቶም ደቁን በዓልቲ ቤቱን ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ጽምዋ እዩ ዳሕራይ ኣብ ካናዳ ብመስርሕ ምጽንባር ስድራ ቤት ረኺቡዎም። ካብ ቑልዕነቱ ኣብ ዝተቓለሰላን ከቢድ ዋጋ ኣብ ዝኸፈለላን ሃገር ብሰላምን ቅሳነትን ክነብር ዘይከኣለ ኣሮን ብርሃነ ኣብ ሃገረ ስደቱ እውን መሊኡ ከየዕረፈ ብሃንደበታዊ ሕማም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ብሃንደበታዊ ሞቱ ዝሰምበዱ ኣሻሓት ኤርትራውያነ ከኣ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሓዘኖም ይገልጹ ኣለዉ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56946962"} {"headline":"ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዝተኣሰሩ ኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታት ደሃዮም ኣይፍለጥን ተባሂሉ","content":"ቅድሚ ሓደ ሰሙን ካብ ክልተ ማዕኸናት ዜና ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታት ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥ ጠበቕኦም ተዛሪቡ። እቶም ሰብሞያ መራኸቢ ብዙሃን ካብ ዝእሰሩ ልዕሊ ሓደ ሰሙን’ኳ እንተኾኖም ክሳብ ሎሚ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቐረቡን ብዛዕባ ዘለዉሉ ቦታ ስድርኦም ክፈልጡ ከምዘይከኣሉን ጠበቕኦም ኣይተ ታደለ ገብረመድህን ንቢቢሲ ሓቢሩ። ኢትዮ-ፎረም ኣብ ዝተባሃለ ናይ ዩ-ቱዩብ ቻነልን ኣብ ማእኸል ሚድያ ኣውሎን ዝሰርሑ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት፡ ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ከምዘውዐሎም ተገሊጹ ምንባሩ ይዝከር። ተጣባቒ መሰላት ጋዜጠኛታት ዝኾነ ሲፒጄ ንማእሰርቲ እቶም ጋዜጠኛታት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ብቕልጡፍ ክፈትሖምን ኣብቲ ዓውዲ ኣብ ልዕሊ ዝወፈሩ ሰብሞያ ዘብጽሖ ጸቕጢ ደው ከብልን ሓቲቱ ነይሩ። ፖሊስ ብ23 ሰነ 2013 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ቀትሪ ናብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ማእኸል ኣውሎ ሚድያ ብሓይሊ ከምዝኣተወን ን12 ሰራሕተኛታት እቲ ማእኸል ከምዝኣሰረን ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ካብ ዝፈልጡ ኣካላት ክፈልጥ ከምዝኸኣለ ሲፒጄ ይገልጽ። ብተመሳሳሊ ኢትዮ-ፎረም ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ ናይ ዩ-ቱብ ቻነል: ዜናን ትንታነን ዘቕርቡ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ኣበበ ባዩን ያየሰው ሽመልስን ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ እቲ ትካል ሓቢሩ’ሎ። ጠበቕኦም ኣይተ ታደለ፤ እቶም ሰብሞያ መራኸቢ ብዙሃን ፖሊስ ፌደራል ኣብ ቀይዲ ከምዘውዓሎምን ሽዑ ብልሙድ ሜክሲኮ ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ናብ ዝርከብ ማእኸል ምጽራይ ገበን ፌደራል ፖሊስ ከምዝተወሰዱን ተዛሪቡ። ‘ክሳብ ዓርቢ (25 ሰነ 2013 ኣኢ) ቤተቦም ክሓትዎምን ምግቢ ከብጽሑሎምን ይኽእሉ ነይሮም። ብድሕሪኡ ግን ‘ስለዝተፈትሑ ኣብዚ የለዉን’ ተባሂሎም። ቤተሰብ ክረኽቦም ኣይከኣለን። ክሳብ ሎሚ’ውን ናብ ቤት ፍርዲ ኣይቀረቡን” ኢሉ። እቶም ሰብሞያ መራኸቢ ብዙሃን ናብ ቤት ፍርዲ ከይቐርቡ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ዝተትሓዙሉ ምኽንያት’ውን ክሳብ ሎሚ ከምዘይተነገሮም ኣይተ ታደለ ገሊጹ። “ብዛዕባ ማእሰርቶም ኣብ ሓደ መራኸቢ ብዙሃን ሕቶ ዝቐረበሉ ፖሊስ ‘ምስ ኣሸባሪ ጉጅለ ርክብ ስለዘለዎም’ዩ’ ዝብል መልሲ ከምዝሃበ ኣንቢበ ኣለኹ። ካብዚ ወጻኢ ንዓና ዝተወሃበና ግልጺ ሓበሬታ የለን” ክብል ኣረዲኡ። ኣብዚ ጉዳይ ካብ ፖሊስ ፌደራል መብርሂ ንምርካብ ዝገርናዮ ፈተነ ክሰምረልና ኣይከኣለን። እቶም ሰብሞያ ንማእሰርቲ ዝተሳጥሑሉ ምኽንያት ምስ ስርሖም ብዝተሓሓዝ ከምዝኾነ እቲ ጠበቓ ይኣምን። “ቤተሰቦም ብጣዕሚ ስለዝጨነቖም ናብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ከይዶም ጥርዓን ኣስሚዖም ነይሮም። ሰኑይን ሰሉስን ከኣ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐርቡ ስለዝተሓበረና ተጸቢና ግን ኣይቀረቡን” ብምባል ንቢቢሲ ሓቢሩ። ኣብ ሕጊ እታ ሃገር ዘይምኽንያታዊ ማእሰርቲ ክህሉ ከምዘይግባእ ከምዝተነጸረ ዘዘኻኸረ ጠበቓ ኣይተ ታደለ፤ ዓማዊሎም ካብ ዝተሓዙ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ከምዝነበሮምን እዚ ክኸውን ብዘይምኽኣሉ ከኣ ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ከምዝተጥሓሰ ገሊጹ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57773927"} {"headline":"ኲናት ኣፍጋኒስታን፡ ሰለስተ ደቂኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ሚድያ ተቐቲለን","content":"ኣብ ኣፍጋኒስታን ከተማ ጃላላባድ፡ ኣብ መደበር ቴሌቪዥን ዝሰርሓ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝተቐተላ ተገሊጹ፡፡ እተን ካብ 18 ክሳብ 20 ዕድሚአን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ክልተ ዝተፈላለዩ ቦታታት ግን ዝተተሓሓዙ መጥቃዕቲታት ዝተቐተላ እንትኾን ሓንቲ ራብዐይቲ ድማ ቆሲላ ከምዘላ ጸብጻባት ሓቢሮም፡፡ ፖሊስ፡ ነቲ ዝትፈጸመ መጥቃዕቲ መሪሑ ዝበሎን ምስ ጣሊባን ርክብ ከምዘለዎን ዝገለጾ ዕጡቕ ከምዝኣሰረ ገሊጹ ኣሎ፡፡ ጣሊባን ግና ነቲ መጥቃዕቲ ከምዘይፈጸመ ገሊጹ፡፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ንጋዜጠኛታት፣ ተጣበቕቲ መሰላትን ፖለቲከኛታትን ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕቲታት ብቕጻሊ ክፍጸሙ ጸኒሖም እዮም፡፡ እተን ዝተቐተላ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቀረባ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርተን ዝዛዘማን ኢኒከስ ኣብ ዝተባህለ መደበር ቴሌቪዥን ዝሰርሓ ዝነበራን እየን፡፡ ኣሶሼትድ ፕረስ ከምዝጸብጸቦ ካብተን ግዳያት ሓንቲ ዝኾነት ሙርሳል ዋሂዲ፡ ናብ ገዝኣ እናኸደት እንተላ እያ ብዕጡቓት ተቐቲላ፡፡ ብተመሳሳሊ ሻህናዝን ሳህድያን ዝተባህላ ግድያት ድማ ኣብ ካልእ ከባቢ ናብ ገዝአን እናተመለሳ ተቐቲለን፡፡ ‘‘ብጥይት ክውቀዓ ከለዋ ናብ ገዝአን ብእግረን እናተጉዓዛ ነይረን፤ ኩለን ሞይተን እየን’’ ኢሉ ኣካያዲ እቲ ቴሌቪዥን መደበር። እታ ራብዓይቲ ድማ ብጽኑዕ ቆሲላ ኣብ ሆስፒታል ከምዘላ ሮይተርስ ጸብጺቡ፡፡ ነቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ይሃድኖም ከምዘሎ ዝሓበረ ፖሊስ፡ ነቲ ቀንዲ ተጥርጣሪ ኣብ ቀይዲ ኣውዒልዎ ከምዘሎ ሓቢሩ ኣሎ፡፡ ‘‘ ክሃድም እትፍትን ኣሲርናዮ፡፡ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ተኣሚኑ ኣሎ፤ ኣባል ጣሊባን እዩ’’ ክብል ሓላፊ ፖሊስ ናንጋርሃር ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ፡፡ ወታሃደራት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ምውጸኦም ስዒቡ ኣብታ ሃገርን ዝፍጸሙ መሰል መጥቃዕቲታት አዐርዮም ከምዝወሰኹ እዩ ዝግለጽ፡፡","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/56262722"} {"headline":"ዳፍኒ ካሩዋና ጋሊዚያ፡ መንግስቲ ማልታ ብሞት እታ ጋዜጠኛ ተሓታቲ'ዩ ተባሂሉ","content":"ኣብ ጉዳይ ቕትለት ውርይቲ ጋዜጠኛ ካሩና ጋሊዚያ መርመራ ከካይድ ዝጸንሐ ጉጅለ መርመራ መንግስቲ ማልታ ተሓታቲ ምዃኑ ገሊጹ። እቲ መርመራ፡ መንግስቲ ንህይወት እታ ጋዜጠኛ ስግኣት ዝኾኑ ፈልዩ ኣብ ምግንዛብን ንዕኦም ንምውጋድን ዘድሊ ስጉምቲ ክወስድ ኣይከኣለን ኢሉ። ንብልሹው ምሕደራን ስስዐን ሰበስልጣን መንግስቲ ማልታ ብምቅላዕ፡ ንፖለቲካዊ ኵነታት'ታ ሃገር ጸልያቶ ዝጸንሐት ካሩና ጋሊዚያ ውርይቲ ጋዜጠኛ፡ ኣብ 2017 ኣብ መኪናኣ ብዝተጻወደ ቦምብ ከም ዝተቐትለት ይፍለጥ። ኣብ ዙርያ ቕትለት እዛ ጋዜጠኛ ዝካየድ ዝነበረ መርመራ ንቐዳማይ ሚኒስትር ጆሴፍ ሙስካት ናይ ቐረባ ዝኾኑ ሰባት ኣብቲ ጉዳይ ስለ ዝተጠርጠሩ ብ2019 ካብ ስልጣኑ ክወርድ ተገዲዱ። ይኹን'ምበር ንሱ ንዝቐርብሉ ክስታት ብልሽውና ኣይተቐበሎምን። እዛ \"ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዊኪሊክስ\" ተባሂላ እትፍለጥ ጋዜጠኛ ጋሊዚያ ኣብ ማልታን ካልኦት ሃገራትን ዘለው መርበባት ብልሽውና ብምቅላዕ እያ እትፍለጥ። ጓል 53 ዓመት እናሃለወ ኣብ ርእሲኣ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝሞተት ጋሊዚያ፡ ን30 ዓመታት ጋዜጠኛ ኮይና ሰሪሓ። ኣብቲ ናይ ውልቃ ፍሉጥ መርበብ ሓበሬታ፡ ብዘይስከፍታ ፖለቲከኛታትን ሰበ ስልጣንን ማልታ ብብልሽወና ትኸሶም ነይራ። ሓያል ነቓፊት መንግስቲ ምዃና'ውን ትፍለጥ። ኣብ 2017፡ ንሓያሎ ሃገራት ዘናወጸ 'ፓናማ ፐይፐር' ኣቢላ ኣብ ዝዘርግሓቶ ሓበሬታ፡ በዓልቲ-ቤት ናይ'ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሚኒስተር ጸዓትን ሓለቓ ስታፍ ሰራዊትን'ታ ሃገር ምስ ኣዘርበጃን ብምሽራኽ፡ ኣብ ፓናማ ብሕቡእ ዘቐመጡዎ ሚልዮናት ዶላራት ሃብቲ ከም ዘለዎም ኣቃሊዓ ነይራ። ስድራ እታ ጋዜጠኛ ጉዳይ ቕትለት ጋሊዚያ ብዘይሻራዊ መጻረዪ ገበን ክካየድ ብምግባር ፍትሒ ክጠልቡ ጸኒሖም። ሙሳካት ካብ ስልጣን ቅድሚ ምውራዱ ፍቓድ ክህቦም ስለ ዝኽኣለ ድማ ክጻረ ጀሚሩ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፡ እቲ ገበን ዘጻሪ ዝነበረ ኣካል ጋዜጠኛታት፣ መርመርትን ፖለቲከኛታት ዝርከቡዎም ብዙሓት መሰኻኽሪ ዓይኒ ኣዘራሪቡ። በዚ መሰረት ኣብ ዘዳለዎ በዓል 437 ገጽ ጸብጻብ፡ መንግስቲ \"ልዑል ደረጃ ዘለዎም ሰባት ካብ መቕጻዕቲ ናጻ ዝኾኑሉ ኩነታት ክፍጠር ገይሩ'ዩ\" ኢሉ። ኣብ ሞንጎ መንግስትን ሰብ ሃፍትን \"ግቡእ ዘይኮነ ምቅርራብ\" ኣሎ ብምባል ኣብ ማልታ ጋዜጠኛታት ውሕስነት ዝረኽብሉ ሃዋህው ንምፍጣር ሕግታት ከመሓይሽ ይግባእ ኢሉ። ክሳብ ሕጂ ብቕትለት እታ ጋዜጠኛ ዝተጠርጠሩ ውሑዳት ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለው። ኣብ ወርሒ ለካቲት ሓደ ካብቶም ሰለስተ ጥርጡራት ቕትለት ጋዜጠኛ ጋሊዛ ገበነኛ ተባሂሉ ን15 ዓመት ክእሰር ተፈሪዱዎ እዩ። እቶም ካልኦት ገና ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ'ዮም። ካልእ ራብዓይ ጥርጡር በዓል ሃብቲ ማልታ ዮርገን ፌኔች እውን ተኸሳሲ ኮይኑ፡ እቲ ዝቐርበሉ ክሲ ይነጽጎ። ንሱ፡ ኣብ ሕዳር 2019 ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። እታ ጋዜጠኛ ምስ ተቐትለት ወዳ ፖል፡ እታ ሃገር \"ናይ ማፊያ መንግስቲ'ዩ\" ዘለዋ ብምባል ኣዲኡ \"ኣብ ሞንጎ ምኽባር ልዕልነት ሕግን ንዕኡ ክጥሕሱ ዝደልዩ ሰባትን ጠጠው ስለ ዝበለት\" እያ ተቐቲላ ኢሉ ከም ዝኣምን ተዛሪቡ ነይሩ። ትማሊ ሓሙስ ስድራ ቤታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ \"ውጽኢት እዚ መርመራ ኣብ ማልታ ልዕልነት ሕጊ ክኽበር ኣበርክቶ ክገብር ተስፋ ኣለና\" ኢሎም።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57994900"} {"headline":"\"ኣብ ኣውሎ ሚድያ ክሰርሕ ኣብ ዝጀመርኩላ መዓልቲ እየ ተኣሲረ\" ጋዜጠኛ ክብሮም ሰለሞን","content":"ብኣቆጻጽራ ግእዝ 23 ሰነ 2013 ቀትሪ፡ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ናይ ኣውሎ ሚድያ ሰራሕኛታትን፡ ብድሕሪኦም ዝተኣሰሩ ሰራሕተኛታት ኢትዮ-ፎረምን ኣብ ኣዋሽ ሰባት ከምዝርከቡ ፖሊስ ገሊጹ ነይሩ፡፡ ንኽልተ መዓልቲታት ኣብ ሜክሲኮ ኣብ ዝርከብ ናይ ፌደራል ፖሊስ መመርመሪ ገበን ምስጸንሑ፡ ፖሊስ ንቤተሰቦም ‘‘ተፈቲሖም እዮም’’ ዝብል ሓበሬታ ምስሃበ ኣብ ዘለዉዎ ከይተፈለጠ ሰሙናት ሓሊፉ ነይሩ፡፡ ድሕሪ ናይ 20 መዓልቲታት ማእሰርቲ ኣብ ዘለዉዎ ስለዘይተፈለጠን ናብ ቤት ፍርዲ እውን ሰለዘይቀረቡን፡ ብጠበቐኦም አቢሎም ኣካል ናጻ ናይ ምውጻእ ክሲ መስሪቶም፡፡ ነዚ ስዒቡ እዩ ፖሊስ ብቦታ ጽበት ምኽንያት ናብ ኣዋሽ ሰባት ወሲዱ ከምዝኣሰሮም ዘፍለጠ፡፡ ካብቶም ኣብ ኣዋሽ ሰባት ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ሚድያ እቶም 10 ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ብዋሕስ እንትፍትሑ እቶም ዝተረፉ 7 ግን ሐዚ እውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘለዉ ጠበቐኦም ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ብዛዕባ ዝነበረ ኣተሓሕዛ ብዝምልከት፡ ሰራሕተኛ ኣውሎ ሚድያ ምስዝኾነ ጋዜጠኛ ክብሮም ሰሎሞን ጻንሒት ጌርና ኣለና፡፡ ከመይ ተኣሲርኩም? ኣብ ኣውሎ ሚድያ ምስራሕ ኣብ ዝጀመርኩላ ናይ መጀመርታ መዓልቲ እየ ተኣሲረ፡፡ ቅድሚኡ ኣብ ቴሌቪዥን ትግራይ እየ ዝሰርሐ ነይረ፡፡ ዳሓር ወናኒ ኣውሎ ሚድያ ንዝኾነ ኣትሌት ገብረ እግዚኣብሄር ኣዘራሪበዮ ብማሕበራዊ ዘርፊ ተቖጺረ፡፡ ምስቶም ሰራሕተኛታት ኣላልዩኒ ኮፍ ምስበልኩ ኢና ተኣሲርና፡፡ ፖሊስን ናይ ሲቭል ዝተኸደኑ ናይ ድሕነት ሰራሕተኛታትን ሃንደበት ናብቲ ቤት ጽሕፈት ኣትዮም ኢድኩም ንላዕሊ ኢሎምና፤ ሞባይልናን ላፕቶፓትናን ወሲዶም፡፡ ንሓድሕድና እኳ ክንዘራረብ ኣይከኣልናን፡፡ ድሕሪኡ ሒዞምና ናብ ሜክሲኮ ከይዶም፡፡ ናዓና እንትወስዱና ኣብ ካልኣይ ደብሪ ኮይና ፎቶ ንዝሰኣለትና እውን ምሳና ወሲዶም ኣሲሮምዋ፡፡ ኣዚና ደንጊጽና ኔርና፤ ኣሰር ኣጻብዕትና ምስ ሃብና ፍራሽ ቀሪቦሙልና፡፡ ኣብኡ ዝነበሩ እሱራት ምግቢ ገዚኦም ክቐርበልና ገይሮም፡፡ መብዛሕትኡ እሱር ትግራዋይ እዩ፡፡ ዓርቢ ንጉሆ ሒዞሙና ወጺኦም፡፡ ናብ ቤት ፍርዲ ክወስዱና እዮም ኢልና ሓሲብና፡፡ ናብ ልደታ ክወስዱና እዮም ኢልና እናተጸበና እናሃለና፡ ብኣለም ባንክ ገይሮም ምስወጹ እምበኣር ናብ ቃሊቲ እዮም ክወስዱና ኢልና፡፡ ኣእዳውና ብመቑሕ ተኣሲሩ እዩ፤ ምዝርራብ ኣይንኽእልን ከምኡ እውን ናበይ ይወስዱና ከምዘለዉ ኣይነገሩናን፡፡ ቃሊቲ ሓሊፎም በቲ ናይ ቀደም መገዲ ሒዞም ናብ ደብረ ዘይቲ ሒዞምና ምስ ሓለፉ ናብ ዝዋይ እዮም ክወስዱና ኢልና፡፡ እታ መኪና ናይ ፍጥነት መንገዲ ሒዛ ካብ ኣዳማ ምስወጸት ግን ስጉምቲ ክውሰደና እዩ ወይ እውን ንሻዕብያ ኣሕሊፎም ክህቡና እዮም ኢልና ተስፋ ቖሪጽና፡፡ ድሕሪኡ 220 ኪሎ ሜትር ምስተጉዓዝና ናብ ኣዋሽ ሰባት ኪሎ ማእከል መሰልጠኒ ኣመራርሓ ፖሊስ ፌደራል ኣእትዮምና፡፡ ኣብ ብሎክ 10 ኢና ጸኒሕና፡፡ እቲ ገዛ ደሓን እዩ፤ እተን ደቂ ኣንስትዮ ግን ኣብ ሓንቲ መስኮት ዘይብላ ንኡሽቶ ክፍሊ እየን ሽዱሽቲአን ተዳጒነን ጸኒሐን፡፡ ናትና ክፍሊ ግን ‘ፋን’ ነይሩዎ፡፡ ብዙሕ ግዘ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ እሱራት ኣዋሽ መሰልጠኒ ሕማቕ ነገራት ይስማዕ እዩ፡፡ ብሓፈሻ ብዛዕባ እቲ ኣተሓሕዛ ንገረና? ናብኡ ምስኣተና ገሊኦም ፖሊስ ሕማቕ ይዛረቡ ነይሮም፡፡ ‘‘ንዓኹምስ ኣብዚ ምንክልላው… ብሓለንጊ ምቕጥቃጥ ነይሩ’’ እናበሉ ዘፈራርሑና ነይሮም፡፡ ከምቲ ኣዛዚ ዝበሉ ሰባት ድማ ኣተኣላልየኦም ጽቡቕ ነይሩ፡፡ ኢንስፔክተር ተስፋዬ ዝበሃል ኣዛዚ ናይ ኣቦነት ፍቕሪ ነይሩዎ፡፡ ብፍላይ ነተን ደቂ ኣንስትዮ ‘‘ ኣጆኽን እዘን ደቀይ፤ ምንም ኣይክትኮናን፡፡ ናዓኽን ክንሕሉ ኢና ኣብዚ ዘለና’’ይብለን ነይሩ፡፡ ምግቢ ባኒ ጥራሕ እዩ ዝፍቀድ፡፡ ንጉሆ ባኒ ምስ ሻሂ፤ ምሳሕ ክልተ ባኒ ምስ ጸብሒ መሳሊ ይህቡና፡፡ ዝስተ ማይ ኣይትረክብን፡፡ ዕሹግ ማይ ምግዛእ እውን ኣይከኣል፡፡ ገለ ርህሩሃት ፖሊስ ካብ ክበብ እናገዝኡ የምጽኡልና ነይሮም፡፡ ብገንዘብና እውን ክንምገብ ኣይንኽእልን፡፡ ምስ ኣብ ደገ ዘሎ ዓለም ርክብ የብልናን፡፡ ቤተሰብና ኣበይ ከምዘለና ኣይፈልጡን ነይሮም፡፡ ቅያር ክዳን ዝሓዘ ሰብ ኣይነበረን፡፡ ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ ኣዝዩ ከቢድ ነይሩ፡፡ ሰብነተን ምሕጻብ ኮነ መነጻጽሂ ኣቑሑት ምርካብ ኣይክእላን ነይረን፡፡ ብፍላይ ክልተ ደቂ ኣንሰትዮ ፖሊስ ይዛረበአን ነይረን፡፡ ብርግጽ እዚ ናይ ሰባት ውልቃዊ ባህሪ እዩ፡፡ ኣብቲ መሰልጠኒ ካበኹም ወጻእ ዝተኣሰሩ ሰባት ነይሮምዶ? ንሕና ምስኣተና ኣብ ዝነበሩ ክልተ መዓልቲታት ብኣማኢት ዝቑጸሩ መናእሰይ ናብ ኣዋሽ መጺኦም፡፡ ንጉሆ ንጉሆ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ተሰሊፎም እንትኣትዉ ርእይናዮም ኢና፡፡ ንሕና ኣብቲ ዓብዪ ኣዳራሽ ኢና ንምገብ ኔርና፡፡ ንሕና ናብ ንኡሽተይ ጉጂ ተሰጋጊርና ንሳቶም ኣብቲ ዓብዪ ኣዳራሽ ምምጋብ ጀሚሮም፡፡ ኣብቲ ኣስፋልቲ ኣንበርኪኾም ከንከላልውዎምን ክገርፉዎምን እናረአና ኢና ንሓልፍ፡፡ ምልስ ኢልካ ምርኣይ ወይ ንእትፈልጦ ሰብ ሰላም ምባል ኣይከኣልን ነይሩ፡፡ ብጥራይ እግሮም እዮም ዝኸዱ፤ ጸጉሮም እንትለጸ ርእይና ኢና፡፡ ኣንበርኪኾም እውን ይወስድዎም፡፡ ፖሊስ ኣብ መጋባእያ ወረዳ ፈንታሌ ኣቕሪበ ናይ ቆጸሮ እዋን ኣውሂበ እየ ክብል ንቤት ፍርዲ ፌደራል ገሊጹ ነይሩ፡፡ ናብ ቤት ፍርዲ ተወሲድኩም ዶ ነይርኩም? ምስተኣሰርና ኣብ መበል ሻብዓይ መዓልቲ እዮም ናብ መጋባእያ ወሲዶምና፡፡ እታ ዳይና ጓል ኣንስተይቲ እያ ነይራ፤ ሸውዓተ መዓልቲ ሙሉእ ኣየቕረቡናን ኢልና እንትነረዳኣ ‘‘ እናጓዓዓዙኹም ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ጸገም የብሉን’’ ኢላ ናይ 14 መዓልቲ ቆጸሮ ፈቒዳ፡፡ ስዒቡ ዝቐረበ ዳይና ሓድሽ እዩ ነይሩ፡፡ ‘‘ እቲ ክሲ ሕዚ ስለዝበጸሐኒ ኣይፈልጦን፤ ነቲ ዝተሓተተ 14 መዓልቲ ፈቒደ እየ’’ ኢሉ፡፡ ድሕሪኡ ኣብቲ ዝሰዓበ ቆጸሮ እተን ደቂ ኣንስትዮ እናበኸያ ነይረን፡፡ ሰብነተን ተጎሳቚሉ ነይሩ፡፡ ድሕሪኡ እቲ ዳይና ነቶም ቀዲሞም ዝተኣሰሩ 10 መዓልቲ ፈቒዱ፡፡ ኣብ ሰለስቲኡ ቆጸሮ ዝቐረበ ክሲ ዝተፈላለየ እዩ ነይሩ፡፡ እቲ ናይ መጀመርታ ክሲ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ምብጻሕ ዝብል ነይሩ፡፡ እቲ ካልኣይ ምስቲ ኣብ ዓፋርን ሶማልን ዝነበረ ጎንጺ ዝተሓሓዝ እዩ፡፡ ፖሊስ ሽዑ ኣብ ዓፋር ዘለዉ ተሓባበርቶም ንምሓዝ ይሰርሕ ኣለኹ ኢሉ ነይሩ፡፡ ኣብ ሳልሳይ እቲ ክሲ ምስ ቤንሻንጉል ተተሓሒዙ ተቐዪሩ፡፡ ከምይ ተፈቲሕኹም? ናይ ምርመራ ግዜ ምስተወደአ፡ እቲ መጋባእያ መመልከቲ ኣእትዉ ኢሉና፡፡ ንሕና ድማ እነህድሞ መረዳእታ የብልናን ኢልና ናይ ዋሕስ መመልከቲ ሒዝና ክንቀርብ ምስበልና ቀዲሞም መኪና ሒዞም መጺኦም፡፡ እቲ ክሲ ተቛሪጹ ድዩ ወይስ ብዋሕስ ኣይተነገረናን፤ መኪና ሒዞም ‘‘ሕዚ ናብ ገዛኹም ኪዱ፤ ካልእ እዋን መጺእኹም ንብረትኩም ውሰዱ‘‘ ኢሎምና፡፡ ዝተወሰነ ክዳን ነቶም ዝተረፉ ሂብናዮም ኢና ወጺእና፡፡ እቲ ዘለዉዎ ኩነታት ከምቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበሮ እዩ፡፡ ጠበቓ ይኹን ቤተሰብ ክረኽቡ ኣይከኣሉን፡፡ ኣብዚ ናይ መራኸቢ ሓፋሽ ስራሕ ክትቅጽል ዲኻ? እወ! ሓቂ ክሳብ ዝኾነ፡ ነቲ ህዝቢ ዝርብሽ ወይ ገበን ክሳብ ዘይሰራሕና፡ ኣብዚ ስራሕ ክቕጽል እዩ ድልየተይ፡፡","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58191525"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልተ ትካላት ሚድያ ዝሰርሑ 15 ሰብ ሞያ ከምዝተኣሰሩ ተገሊጹ","content":"ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ክልተ ትካላት ሚድያ ንዝሰርሑ 15 ሰብ ሞያ ሚድያ ኣብ ቀይዲ ከምዝእተዉ ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ትካል ሲፒጄ ገሊጹ፡፡ ሲፒጄ ትማሊ ኣብ ዘውጸኢ መግለጺ፡ መንግስቲ ኣብ ቀረባ መዓልቲታት ዝኣሰሮም ጋዜጠኛታትን ሰብ ሞያ ሚድያን ብቕልጡፍ ክፈትሖምን ኣብ ልዕሊ ሰብ ሞያ ዘብጸሖ ዘሎ ጸቕጢ ደው ከብልን ሓቲቱ፡፡ ማሕበር ሰብ ሞያ ሚድያ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ኣብ ኣውሎ ሚድያን ኢትዮ ፎረምን ዝሰርሑ ሰብሞያ ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ሓበሬታ ከምዝበጸሖን፡ እቶም ሰብ ሞያ ብዛዕባ ዝተትሓዙሉ ኣገባብን ዘለዉዎ ኩነታትን ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ሓበሬታ ንምርካብ ይጽዕር ኣለኹ ኢሉ፡፡ ሲፒጄ ብኣቆጻጽራ ግእዝ 30 ሰነ 2021 (23 ሰነ 2013 ዓመተ ምህረት) ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ፖሊስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኣውሎ ሚድያ ብሓይሊ ከምዝኣተወን 12 ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ከምዝኣሰረን ነቲ ጉዳይ ብቕርበት ካብ ዝፈልጡ ሰባት ሰሚዐ ኢሉ፡፡ እቶም ቅድሚ መዓልቲታት ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰብሞያ ሚድያ፡ ዛጊት ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡን መእሰሪኦም ምኽንያት እንታይ ከምዝኾነ ከምዘይተነገሮምን ሲፒጄ ይሕብር፡፡ ብተመሳሳሊ ኢትዮ ፎረም ኣብ ዝተባህለ ናይ ዩትዩብ ቻናል ዜናን ትንታነን ዘቕርቡ ዝነበሩ ኣበበ ባዩን ያየሰው ሽመልስን ዝተባህሉ ሰብሞያ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ከምዝኣተዉ እቲ ትኩል ገሊጹ፡፡ ኣተሓባባሪት ፕሮግራም ሲፒጄ ኣፍሪቃ ኣንጄላ ኩይንታል \"ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ማእከላት ኣውሎ ሚድያን ኢትፎረምን ብቕልጡፍ ክፈትሑ ኣለዎም'' ኢላ፡፡ ማሕበር ሰብ ሞያ ሚድያ ኢትዮጵያ ብወገኑ ''ዋላኳ ኣብ ማእሰርቲ እቶም ጋዜጠኛታት እኹል ሓበሬታ ክንረክብ'ኳ እንተዘይከኣልና፡ እቶም ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ዝምልከቶ ኣካል ዝርከቡ ሰብ ሞያ፡ ብቕልጡፍ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ፣ ድጋፍ ሕጊ ክረኽቡን ምስ ዝብጽሑዎም ሰባት ናይ ምርኻብ መሰሎም ክኽበርን ጻውዒት ነቕርብ'' ኢሉ፡፡","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57705955"} {"headline":"ግሪኻዊ ናይ መርመራ ጋዜጠኛ ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ብድምጺ ኣልቦ ጥይት ተቐቲሉ","content":"ብናይ ገበንን ብልሽውናን ጋዜጠኝነት ዝፍለጥ በዓል ሞያ ሚድያ ጊዮርጎስ ካራይቫዝ ድምጺ ብዘይብሉ መሳርሒ 6 ግዜ ተሃሪሙ ከምዝሞተ’ዩ ተገሊጹ። መንቀሊ ሞት ናይቲ ብቕድሚ ትማሊ ዝተቐትለ ጋዜጠኛ ብቕልጡፍ ክጻረ ቀዳማይ ሚኒስትር ግሪክ ክይርኣኮስ ሚሶታኪስ ኣዚዙ’ሎ። እቲ ጋዜጠኛ ኣብ ኣቴንስ ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ብክልተ ሰብኡት ሰባት ከምዝተቐትለ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ። ወሃቢት ቃል መንግስቲ ግሪኽ ሞት ጋዜጠኛ ጊዮርጎስ “ንኹላትና ዘደንጸወ” ክስተት እዩ ኢላቶ። ትካላት ናጽነት ሚድያ እታ ሃገር ጋዜጠኛ ጊዮርጎስ ዝተቐተለሉ ምኽንያት ብሰንኪ እቲ ዝሰርሖ ዝነበረ ናይ ገበንን ብልሽዉናን ጸብጻባት ድዩ ወይስ ካልእ ክጻረ ሓቲቶም ኣለዉ። ፕረዚደንት ኮምሸን ኣውሮጳ ዩርሱላ ቮን ዶር ለየን፡ ናይቲ ብናይ ፈራሓት በትሪ ተቐቲሉ ዝበሎ ጋዜጠኛ ፍትሒ ክረክብ ተመሓጺኑ። ኣፈጉባኤ ባይቶ ሕብረት ኣውሮጳ ዴቪድ ሳሶሊ ብወገኑ ብሞት ጋዜጠኛ ጊዮርጎስ ከምዝሓዘነ ኣብ ትወተር ገጹ ሓቢሩ። እቲ ኣብ ናይ ብሕቲ ሚድያታት ብምስራሕ ዝልለ ጋዜጠኛ ጊዮርጎስ ካራይቫዝ ቅድሚ ሕጂ ናይ ድሕነት ስግኣት ከምዘለዎ ንፖሊስ ኣመልኪቱ ከምዘይነበረን ብፖሊስ ሓለዋ ክግበረሉ ሓቲቱ ከምዘይፈልጥን ተገሊጹ። ኣብቲ ተቐቲሉ ዝተረኸበሉ ቦታ ድማ ልዕሊ ደርዘን ጠያይቲ ከምዝተረኸበ ሓበሬታ ፖሊስ የረድእ። ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ስሎቫክያ ጋዜጠኛ ጃን ኩሳይክ ብተመሳሳሊ ምቕታሉ ዝዝከር እዩ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56708007"} {"headline":"ቅትለት ካሩዋና ጋሊዚያ፡ ቃልሲ ፍትሒ ንዝተቐተለት ኣደይ","content":"ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ሓንቲ ግዜ፡ ኣብ ሓደ ክፍሊ ቅትለት ኣደይ ምስ ዝምርምር ሰብ ኾፍ ክብል ኣለኒ። እዚ መርማሪ፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ንኣደይ ክኣስር ናብ ገዛ እንትመጽእ'ዩ ስድራና ንፈለማ እዋን ተላሊዩዎ። ኣደይ፡ ብዛዕባ ሕጹይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኑ ንምርጫ ዝቀረበን ሓደ ካብ ደገፍቱን፡ ጸብጻብ ፖሊስ ዘካተተ ባልታዊ ጽሑፍ ኣሕቲማ። ኣብ ከውታ ለይቲ ናይ ማእሰርቲ መአዘዚ ደብዳበ ዝሓዘ ወረቐት ሒዙ ብቐጥታ ናብ ገዛና ዝተልኣኸ መርማሪ፡ ሕጋዊ ዘይኮነ ኣጸሓሕፋ ብዝብል ገበን ክሲ ከሲሱዋ። ድሕሪ እዚ፡ ኣነ ኣብ ካልእ ዓውዲ ብስራሕ ተጸሚደ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ድማ፡ ሰባት ናይ ኣቦይ ካናቴራ ተኸዲና ካብ ቤት ማእሰርቲ እናወጽአት ዘርኢ ምስሊ ይልእኹለይ። ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝተኸሰተት ኣደይ፡ ንርእሳ ብምቕያዕ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ዝጽሓፈቶ ባልታዊ ጽሑፍ ስዒቡ ዝበጽሓ ግህሰት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ጽሒፋ። \"መርመርቲ ገበን ቅትለት ክወስዱኻ ምሸት ናብ ገዛኻ እንትመጽኡ፡ ኣብ ሕልናኻ ዝተርፍ ናይ መወዳእታ ትዝታ፡ ጸጉርኻ ምምሻጥ፣ ኣብ ገጽካ ዝተረፈ መመላኽዒ ምሕጻብ፣ እትኽደኖ ክዳን ምምራጽ'ዩ\" ክትብል ጽሒፋ። ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ኣብ ሓደ ለይቲ ንኣደይ ዝኣሰረ መርመሪ፡ ተመሊሱ ጉዳይ ቅትለት ወላዲተይ ይምርምር ኣሎ። ጓል 53 ዓመት ኣደይ ዳፍኒ ካሩዋና ጋሊዚያ ኣብ ዝተቐተለትሉ መዓልቲ፡ ብትእዛዝ መንግስቲ ተኣጊዱ ዝነበረ ሒሳብ ባንካ ክተኽፍት ትኸይድ ነይራ። ኣብ ሞያ ጋዜጠኝነት ን30 ዓመት ሰሪሓ'ያ። ብርሑቕ ዝቆጻጸሩዎ ፍርቂ ኪሎ ተፈንጃሪ ድማ፡ ኣብ መቐመጢ መኪንኣ ተደኲኑ ነይሩ። ደገፍቲ መንግስቲ ቅትለት ኣደይ ዘጸንበሉዎ እንትኾን፡ እቲ ጽንብሎም ቱርኪ-ኣሜሪካዊ ኤዲተር ጋዜጣ ሃራንት ዲንክ እንትቕተል ዝነበረ ተመሳሳሊ ስምዒት ኣዘኻኺሩኒ። ካልኦት ቅትለታ ዘወሃሃደ ኣነ ምኻነይ ወይ ባዕላ'ውን ባህ እናበላ ህይወታ ከም ዘሕለፈት ዝዛረቡ ነይሮም። ገና ካብ ሓዘንና ኣብ ምጽንናዕ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ \"ዋሕዚ ናጻ ሓሳባትን ሓቅታትን፡ ናጻን ፍትሓውን ማሕበረሰብ ይፈጥር\" ክብል ሓወይ ንዲፕሎማሰኛታት ኤውሮጳ ተዛሪቡ ነይሩ። \"ሃብታምን ጥንኩርን ማለት'ውን ክነብሩ ዝግብኦም ሕብረተሰብ ይፈጥር\"። ድሕሪ ቅትለት ኣዴና፡ ዝነበረና ብሕታዊ መጸናንዒ፡ ካብ ዝተፈላለየ ህዝቢ ዝመጽእ ዝነበረ ደገፍ፣ ጣዕሳን ሓዘንን ጥራሕ'ዩ። ሓደ መሓዛና፡ \"ግዱሳት ሰባት ኣብ ኩሉ ኣለው፡ ድለዮም\" ዝበለኒ ኩል ግዘ ይገርመኒ። ናጻን ግልጽን ኣብ ውሽጢ ዝኾነ ማሕበረሰብ ክትነብር፣ ሕጊ ንኩሉ ማዕረ ኾይኑ ሰብኣዊ መሰላት ተኸቢሮም ክትርኢ ምድላይ፡ ዓለማዊ ባህጊ'ዩ። እንተኾነ ግን እዚ ልክዕ ከምቶም ሃፊፎም ዝተርፉ ባህግታትን ድልየታትን'ዩ። ውሑዳት ሕማቓት ሰባት ኣብ ሞንጎና ኮይኖም ህይወትና ክምንዝዑና ከም ዝኽእሉ ዘንጊዑ እንትርድኣና ድማ ዝኸፍአ ይገብሮ። ኣነ፣ ሓወይን ኣቦይን ድሕሪ ቅትለት ኣዴና ዝወሰድናዮ ዕዮ ሰፊሕ'ዩ፤ ፍትሒ ንቕትለትን ምርመራን ወላዲትና፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ግፍዒ ዳግማይ ከይፍጸም ምርግጋጽ ዝብሉ ብቐንዱ ዝጥቀሱ'ዮም። ሕጂ፡ ንዝኾነ ነገር ካልእ ግዜ የብልናን። ሓሓሊፉ፡ ብፍላይ እቶም ኣብ ስልጣን ዘለው ንዘለዎም ሸለልትነትን ሻራውነትን፡ ትዕግስቲ ከም ዘይብልና ምስ ስድራይ ንዝራረብ ኢና። ጭካንኦም ስንፍንኦምን ዘይምትንካፍ'ውን ከቢድ ኮይኑ ንረኽቦ። ብምፍንጃር መኪና ህይወቱ ክሓልፍ ዝተገበረ ቱርካዊ ጋዜጠኛ ምርመራ ኡጉር ሙምቹ ደቁ ከም ዝነገሩኒ፡ ድሕሪ ሞት ኣቡኦም ፖሊስ ዘካየዶ ምርመራ ውጽኢት ከየምጽአ ምስ ተረፈ \"ምንም ክንገብር ኣይንኽእልን፡ ኣብ ቅድሜና ሓጹር መንደቕ'ዩ ዘሎ\" ኢሉዎም'ዩ። ኣዲኦም ነዚ ዝሃበቶ ምላሽ፡ \"ከምኡ እንተኾይኑ፡ ክሳብ እቲ ሙሉእ መንደቕ ሓጹር እተፍርሱዎ፡ ሓደ ሓጹር ኣፍሪስኩም ናብቲ ካልእ ቐጽሉ\" ዝብል'ዩ ነይሩ። ኣዴና ካብ እትመውት ናብዚ እናሰራሕናዮ ዝመጻእና ነገር እዚ'ዩ። ናይ ባህሊ ለውጢ ክመጽን ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽ ክኽበርን ንጉስጉስ ኣለና። ዓለም ሰብኣዊ መሰላት እተኽብረሉ መገዲ'ውን ንምህር ኣለና። ኣብ 2017 ብካራ ዝተወግአ የመናዊ ራሺድ \"መሰረታዊ ናይ ርእሲ ናጽነት እንተዘይረኪብካ፡ ካልእ ዓይነት ናጽነት እንታይ ይረብሕ\" ክብል ጽሒፉ ነይሩ። ልክዕ ኣደይ ዝበጽሓ ቅትለት'ውን፡ ኣብ ሃገርና ንከምዚ ዝኣመሰለ ናጽነት ክብሪ ከም ዘየሎ'ዩ ኣርኢዩኒ። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍጻሜ ግዳያት ዝኾንና ኣባላት ስድራ፣ ኣፍቃሪ\/ት፣ መሓዙት ጥራሕ ኣይኮነንና ብዛዕባ ናጽነት ክንቃለስ ንኽእል። እዚ ዓብዪ ሓላፍነት፡ ኣብ እንግዳዕና'ኳ እንተኾነ ንውልቅና እነዐውቶ ግን ኣይኮነን። ግዱሳት ሰባት ክሕወሱ ንደሊ ኢና። ብዙሓት ግዳያት ዝኾኑ ጋዜጠኛታት ይፈልጥ'የ። ኣብ መላእ ዓለም ኣፍቅሮተ ሰብ ዝነበሮ ጋዜጠኛ ስዑዲ ጀማል ካሾግጂ ዘክሩዎ። አቲ ጸሓፊ ዝጸልኦ ዝነበረ ግን፡ እቲ ክመውት ዝገበረ ሓደ ሰብ'ዩ። ናይ ኣደይ ቅትለት ሓዊስካ፡ ኩሎም ፍጻሜታት ሰባት ተሓተትቲ ክኸኑ ኣብ ምግባር ዝኾነ ዓይነት ለውጢ ዳርጋ የለን። ስለ ዝኾነ ድማ ሓደ ሓጹር ብምፍራስ ጀሚርናዮ ኣለና፤ ማልታ ሞት ኣደይ ክትከላኸል ዘይከኣለትሉ ነገር ንምፍላጥ ህዝባዊ ሕቶ ክካየድ ንሓትት ኣለና። ድሕሪኡ ናብቲ ካልእ መንደቕ ክንሰግር ኢና። ኩል ግዜ፡ ኣደይ ንስለ ሃገር ነብሳ ኣሕሊፋ እንተዘይትህብ ነይራሞ፡ ብህይወት ምሳና ኮይና ምርኣኹዋ ኢለ ይምነ። እንተኾነ፡ ከምቲ ብተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ማእሰርቱ \"ዘደንግጽ\" ተባሂሉ ዝጥቀሱ ጋዜጠኛ ካህዲጃ ኢዝማሎቫን ከም ዝበሎ፡ \"ሰባት ኣዚና ንፈትዎም እንተኾይንና፡ ክኾኑዎ ዝደልዩ ነገር ኢና ንደሊ። ዳፍኒ ከምዚ እያ ነይራ-ጀግናን ተቓላሲትን\"። ኣደይ ዘይትፈልጦ ሓደ ነገር እንተሃለወ፡ ናታ ሞት ኣብ ማልታን ካልኦትን ኣሽሓት ኣተባቢዑ ሕራነ ምፍጣሩ'ዩ። ነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓሳት ድማ፡ በቲ በለ በቲ ካልኦት ጋዜጠኛታት ናይ ኣደይ ተመሳሳሊ ዕጫ ከይበጽሖም ከም ዝከላኸሉ'የ ዝሓስብ። እዚ ጽሑፍ፡ ናይ ማቲው ካሩዋና ጋሊዚያ፡ ጋዜጠኛ ምርመራን ወዳ ንመዋቲት ጋዜጠኛ ዳፍኒካሩዋና ጋሊዚያ'ዩ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48130391"} {"headline":"ካብ ነፋሪት ዝተኣሰረ ቤላሩሳዊ ጋዜጠኛ እናነብዐ 'ተናዚዙ'","content":"ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣብ ሚኒስክ ካብ ነፋሪት ዝተኣሰረ ቤላሩሳዊ ጋዜጠኛ ሮማን ፕሮታሰቪች፡ እናነብዐ ናይ ቴሌቪዥን ቃለ መጠይቕ ገይሩ። ኣብቲ ቃለ መጠይቕ ኣንጻር መንግስቲ ሰልፍታት ተቓውሞ ይውድብ ከም ዝነበረ ብምግላጽ ንፕሬዝደንት ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ ናእዳ ከም ዘለዎ ተዛሪቡ። ስድራ እቲ ጋዜጠኛ ግን ተገዲዱ'ዩ ነቲ ቃለ መጠይቕ ሂቡ ኢሎም። ወዲ 26 ዓመት ሮማን ፕሮታሰቪች፡ ክሳብ እቲ ዝሓለፈ ዓመት ኤዲተር ነታ ብቴሌግራም እትዝርጋሕ ኔክስታ ቻነል ዝተባህለት ማዕከን ዜና ነይሩ። በዚ ምኽንያት ኣብ ዝርዝር \"ኣብ ግብረ ሽበራዊ ምንቅስቓሳት ዝነጥፉ ውልቀሰባት\" ሰፊሩ ጸኒሑ። ፕሬዝደንት ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ ብ9 ነሓሰ 2020 ኣብቲ ሓያል ተቓውሞን ነቐፌታን ዘስዓበ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ከም ዝተዓወተ ክገልጽ እንከሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ተላዒሉ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ተቓውሞ ተበቲኑን መራሕቲ ሰልፊታት ተቓውሞ ተኣሲሮምን ተሰዲዶምን'ዮም። ኣብቲ ትማሊ ሓሙስ ኣጋምሸት ዝተመሓላለፈ ቃለ መጠይቕ ጋዜጠኛ ሮማን ፕሮታሰቪች፡ ነቲ መደብር ቴሌቪዥን ብፍቓዱ ከም ዝተዛረበ ብምግላጽ ነቲ ፕሬዝደንት ንምዕላው መደብ ከም ዝነበሮ ገሊጹ። ንፕሬዝደንት ሉካሼንኮ ብዙሕ ተቓውሞ የቕርብ'ኳ እንተነበረ ጸኒሑ ግን \"ትኽክለኛ ነገር ይሰርሕ ከም ዘሎ ስለ ዝተረድኣኒ ከኽብሮ ጀሚረ\" ኢሉ። ኣብ መወዳእታ እቲ ቃለ መጠይቕ ገጹ ብንብዓት ክሕጸብ እንከሎ ሓደ መዓልቲ ተመርዒዩ ሓዳር ክምስርትን ቖልዑ ክወልድን ተስፋ ከም ዝገብር ተዛሪቡ። ወላዲ እቲ ጋዜጠኛ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ርኢይቶ እቲ ቃለ መጠይቕ ከም ዘሕዘኖ ገሊጹ። \"ወደይ ድሓን ከም ዝኾነ ይፈልጥ'የ፤ ከምዚ ከም ዘይብል ከኣ ይኣምን። ይኹን'ምበር ዝደልዩዎ ነገር ንክዛረብ ጸቕጢ ገይሮምሉን ልቡ ሰይሮሞን'ዮም\" ኢሉ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እቲ ጋዜጠኛን ኣፍቃሪቱ ሲፊያ ሳፔጋን ካብ ሊትወንያ ኣብ ዝነበሮም በረራ፡ ብናይ ሓሶት ጥርጣረ ቦንባ: እታ ነፋሪት ኣብ ሚኒስክ ክትዓርፍ ብምግባር ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣወተ ይፍለጥ። ክሳብ 15 ዓመት ማእሰርቲ ዘፍርድ ህዝባዊ ናዕቢ ምልዓል ዝብል ከቢድ ክሲ ይቐርበሉ። ብቐንዱ ግን እቲ ግብረ ሽበራ ዝብል ዝዓበየ ቕጽዓት ዘፍርድ ኮይኑ፡ ሮማን ፕሮታሰቪች ካብታ ነፋሪት መጥቃዕቲ ቦንባ ንምፍጻም ተጠርጢሩ ካብታ ነፋሪት ክተሓዝ እንከሎ ተጉዓዝቲ \"ናይ ሞት መቕጻዕቲ ይጽበዮ\" ከም ዘሎ ይዛረብ ምንባሩ መስኪሮምሉ'ዮም። በዚ ምኽንያት ሕብረት ኤውሮጳ መገዲ ኣየር ቤላሩስ ክሊ ኣየርን መዓርፎ ነፈርትን ኤውሮጳ ከይትጥቀም ዝብል ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር እገዳታት ገይሩ። \"ኣብ ልዕሊ ህይወት ንጹሃት: ኩዕሶ ሩሲያ ዝጻወት ስርዓት ኣይንጻወርን\" ክብል ፈጻሚ ስራሕ ቤት ምኽሪ እቲ ሕብረት ቻርለስ ሚሸል ንቤላሩስ ነቒፉ። ብተወሳኺ ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ስጉምቲ \"ኣብ ልዕሊ ዴሞክራሲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ\" ብምባል ኮኒኑዎ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57340429"} {"headline":"ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ቤላሩስ ማዕቀብ ደንጊጉ","content":"ሕብረት ኤውሮጳ ነፋሪት መገዲ ኣየር ቤላሩስ ኣብ ሰማያት ኤውሮጳ ከይትበርር ኣጊዱ። ሰብ መዚ ቤላሩስ ብሰንበት ንቤላሩሳዊ ኣክቲቪስት ጽዒና ናብ ሊቱንያ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት ቦምባ ኣለዋ ብዝብል ኣብ ሚኒስክ ክትዓልብ ድሕሪ ምግዳድ ነቲ ጋዜጠኛ ድሕሪ ምእሳሮም ሃገራት ምዕራብ ነቲ ተግባር ብትሪ ይኹንንኦ ኣለዋ። ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝነበረን ኣኼባ ድማ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን መገዲ ኣየር ቤላሩት ኣብ ሰማያት ኤውሮጳ ከይትበርር ብምእጋድ፡ ቐጻሊ ቑጠባዊ ማዕቀባት ክድንግጉ ምዃኖም ኣፍሊጦም። ወዲ 26 ዓመት ሮማን ፕሮታሰቪች ካብ ግሪኽ ናብ ሉቲኒያ ኣብ ዝነበሮ በረራ ከም ዝተኣጓጎለ ይዝከር። ሃገራት ምዕራብ እዚ ተግባር ኣብ ልዕሊ ነፋሪት መገዲ ኣየር ራያናር ዝተፈጸመ \"ጭውያ\" እዩ ክብላ ኮኒነንኦ። ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ጋዜጠኛ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሚኒስክ ካብ ዝትሓዝ ንነጀው ጸቕጢ ይበጽሖ ምንባሩ ዘርኢ ምስሊ ወጺኡ ኣሎ። ኣብቲ ብሰኑይ ዝወጽአ ምስሊ፡ እቲ ጋዜጠኛ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና ከም ዘሎ እኳ እንተገለጸ፡ ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ቤላሩስ ዘቕረበሉ ክሲ ከም ዝተዛረበ ይሕብር። ተሓለቕቲ ግን ትሕዝቶ እቲ ዝወጽአ ምስሊ ብምኹናን ጋዜጠኛ ፕሮታሰቪች እቲ ዝቐርበሉ ዘሎ ክሲ ንክቕበል ጸቕጢ ይበጽሖ ኣሎ ይብሉ። ፕሬዝደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ንተግባር ሰብ መዚ ቤላሩስ \"ዘጸይፍ\" ብምባል ክገልጾ እንከሎ \"ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛታትን ናጽነት ፕሬስን ዝበጽሕ መጥቃዕቲ\" ነይሩ'ዩ ኢሉ። ኣቡኡ ነቲ ጋዜጠኛ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ወዱ ምፍርራሕ ክበጽሖ'ዩ ኢሉ ከም ዝሰግእ ተዛሪቡ። ዲመትሪ ፕሮታሰቪች \"ድሓን ክኸውን'ዩ ኢልና ተስፋ ንገብር። ማህረምትን ስቅያትን ክበጽሖ ይኽእል'ዩ ዝብል ስግኣት ኣለና\" ኢሉ። ቤላሩስ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ግሪኽ ኣቴንስ ዝተበገሰት ነፋሪት ንምግዳድ ነፋሪት ውግእ ኤፍኣር4978 ትልእኽ። እታ ነፋሪት ኣብ ሉቲኒያ ክትዓርፍ መደብ ነይሩዋ። ቤላሩስ ከኣ፡ ካብ ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጉጅለ መጥቃዕቲ ቦምባ ከይበጽሓኒ፡ ብምባል ነታ ነፋሪት ኣብ ሚኒስክ ክትዓርፍ ገይራ። ላዕለዋይ ሓላፊ መጓዓዝያ እታ ሃገር ካብቲ ዕጡቕ ጉጅለ እዩ ዝበሎ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዘንበቦ ጽሑፍ \"ጠለብና ዘይተማልኡ እንተኾይንኩም እቲ ቦንባ ኣብ ቪልኑስ ክነፈንጅሮ ኢና\" ኢሉ። ይኹን'ምበር፡ ጉጅለ ሓማስ ኢድ የብለይን ብምባል ነጺጉዎ። ብተወሳኺ፡ ሓማስ ካብ ዶባት ፍልስጤምን እስራኤልን ወጻእ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ዝብል ታሪኽ ኮነ ንምፍጻም ዘኽእሎ ዓቕሚ የብሉን። ቻንስለር ጀርመን ኣንጌላ መርከል'ውን ክሲ ቤላሩስ \"ፍጹም ዘይእመን\" ክትብል ገሊጻቶ። ይኹን'ምበር ፖሊስ ካብታ 126 ሰባት ጽዒና ዝነበረት ነፋሪት ኣውጺኦም ንቤላሩሳዊ ኣክቲቪስት ፕሮታሰቪች ክኣስሩዎ እንከለው፡ ምስ ኣፍቃሪቱ ሶፊያ ሳፔጋ እናሃለወ ምእሳሩ ከም ዘሰንበዶ ተዛሪቡ። ኣዲኣ ንሶፊያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ጓል 23 ጓላ ናብ ቤት ማእሰርቲ ሚኒስክ ከም ዝተወሰደትን ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ዋትሳፕ ኣብ ዝልኣኸትላ መልእኽቲ \"ኣደይ\" ዝብል ጥራሕ ከም ዝኾነን ገሊጻ። ኣብ ልዕሊኣ ዝቐረበ ክሲ ግን ግልጺ ኣይኮነን። ቤላሩስ፡ እሱራት ብምቕታል እትፍለጥ ብሕታዊት ኤውሮጳዊት ሃገር ኮይና፡ ማእሰርቲ እቲ ኣክቲቪስት ዝርኣዩ መሰኻኽር ዓይኒ ተመሳሳሊ ዕጫ ከይገጥሞ ከም ዝሰግኡ ገሊጾም። ቤላሩስ ብምኽንያት ማእሰርቲ እዚ ውልቀሰብ ሓያሎ ነቐፌታ ክወርዳ እንከሎ፡ ፕሬዝደንት ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ሰብ መዚ እታ ሃገር ናይ ጉዕዞን ንብረትን ማዕቀብ ተገይሩሎም ኣሎ። ጋዜጠኛ ሮማን ፕሮታሰቪች ብ2019 ካብ ቤላሩስ ወጺኡ ኣብ ስደት ኣብ ሉቲኒያ ዝነብር ኤዲተር 'ንክስታ' ዝተባህለ ማዕከን ሚዲያ እዩ። ኣብኡ ኮይኑ ብ2020 ዝተኻየደ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ክጽብጽብ እንከሎ፡ ክሲ ግብረ ራዕድን ምንዓብን ቀሪብሉ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57236499"} {"headline":"ጃክ ዶርሲ ኣብ ትዊተር መጀመርታ ዝጸሓፋ ጽሕፍቲ ብ2.5 ሚልዮን ዶላር ዓዳጊ ረኺባ","content":"ሓደ ካብ መስረትቲ ትዊትር ዝኾነ ጃክ ዶርሲ፡ ኣብ መጀመርታ ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ዝጽሓፋ ጽሕፍቲ ናብ ጨረታ ወሪዳ ብ2.5 ሚልዮን ዶላር ዓዳጊ ረኺባ'ላ። እቲ ብ2.5 ሚልዮን ዶላር ነታ ናይ መጀመርታ ጽሕፍቲ ክዕድጋ ደልዩ ዘሎ ውልቀ ሰብ፡ እታ ጽሕፍቲ ንሱ ከምዝገዝኣ መረጋገጺ ‘ዲጂታላዊ’ ምስክር ወርቐት ካብ ትዊተር ክውሃቦ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። ጃክ ዶርሲ ኣብ 2006 \"Just setting up my twttr,\" ትብል ጽሕፍቲ እዩ ንመጀመርታ ኣብ'ቲ እዋን ምስ ብጾቱ ኾይኑ ዝጀመሮ ትዊተር ጽሒፉ። እታ ጽሕፍቲ ናይ ጃክ ዶርሲ ዋላ ናብዚ ብጨረታ ዝዓደጋ ውለቀ ሰብ ትሸየጥ፡ ካብ ትዊተር ከይተኣለየት ክትጸንሕ ምዃና’ውን ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ነታ ጽሕፍቲ ብጨረታ ዝዓደጋ ውለቀ ሰብ፡ ነታ ናይ መጀመርታ ጽሕፍቲ ትዊተር ከምዝዓደጋ ዝሕበር መረጋገጺ ሰነድ ብጃክ ዶርሲ ዝተፈረመ ከምዝኸውን’ውን ተሓቢሩ። እቲ ዲጂታላዊ ሰነድ መሸጣ፡ እታ ናይ ትዊተር ጽሕፍቲ መዓስ ከምዝተለጠፈት፡ መን ከምዝጸሓፋን ሓፈሻዊ ትሕዝቶኣን ዝሓዘ እዩ ክኸውን። እቲ ዲጂታላዊ ሰርቲፊከት ኣብ ትዊተር ስለዝልጠፍ፡ ዝኾነ ተጠቃሚ ትዊተር ክርእዮ ክኽእል እዩ። እቲ ምልክታ ጨረታ፡ ‘ቫልያብል ባይ ሴንት’ ኣብ ዝተባሃለ መርበብ ሓበሬታ እዩ ወጺኡ። እቶም ወነንቲ እቲ መርበብ ሓበሬታ፡ ሰባት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ከም ‘ዲጂታላዊ ሰርቲፊኬት’ ወፍሪ እንተገይሮም ኣብ መጻኢ ዝያዳ ከሲቦም ክሸጥዎም ከምዝኽእሉን ኣርባሒ ወፍሪ ምዃኑን እዮም ዝገልጹ። ኣብ ቢቢሲ ክኢላ ቴክኖሎጂ ሮሪ ኬለን ጆንስ ‘ትዊት’ ዘግበር ጽሑፋት ልክዕ ከም ‘ብሎክቸይን’ ዲጂታላዊ ባጤራ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ ኢሉ። ንገለ ሰባት ሓንቲ ትዊት (ኣብ ትዊተር ዝተጸሓፈት ጽሕፍቲ ) ብ2.5 ሚሊዮን ዶላር ክትገዝእ ዘዋጽእ ኣይኮነን ዝብሉ ኣለዉ፡ እንተኾነ ኣብ ቢቢሲ ክኢላ ቴክኖሎጂ ሮሪ ኬለን ጆንስ እታ ጽሕፍቲ ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ብልዕሊኡ ክትሽየጥ ከምእትኽእል እዩ ዝሕብር።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56311347"} {"headline":"ኣሰናዳኢ ናይታ ኣብ 2001 ዝተዓጽወት ጋዜጣ ሰቲት ዝነበረ ኣሮን ብርሃነ ኣብ መዓልቲ ፕረስ ዓሪፉ","content":"ኣዳላዊ ጋዜጣ ሰቲት ዝነበረ ፍሉጥ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ኣሮን ብርሃነ ኣብ ስደት ከም ዝዓረፈ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ሓቢሮም። ኣሮን፡ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ፡ ካናዳ ክነብር ምጽንሑ ይፍለጥ። ጠንቂ ሞቱ ብንጹር'ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ \"ሃንደበታዊ\" ምዃኑ እቲ ንሱ ዝመርሖ ዝነበረ ሰቲት ሜድያ ኣፍሊጡ። እቲ ሎሚ 3 ግንቦት፡ ኣብ መዓልቲ ፕረስ ዓለም፡ ዝዓረፈ ኣሮን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ብስም'ታ ዝመስረታ ጋዜጣ፡ ሰቲት ሜድያ ብምምስራት ኣብ መርበብ ኢንተርነትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ክነጥፍ ጸኒሑ'ዩ። ኣሮን ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ስደት ትምህርቱ ብምድላብ፡ ኣብ ሓደ ኣብ ከናዳ ዝርከብ ብራውንስ ዝተባህለ ኮለጅ ከም ፕሮፌሰር ክሰርሕ ምጽንሑ እቲ መግለጺ ይሕብር። \"ብዛዕባ እዚ ፍጻሜ ኣብ ቀጻሊ ኣስፊሕና ከነቕርበልኩ ምዃና እንዳ ሓበርና፡ በዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ሃንደበታዊ ሞት ሳርሕትናን መቓልስትናን ኣሮን ብርሃነ፡ ሰቲት ሜድያ ንምሉኣት ስድራቤት ጽንዓት ይሃብኩም ትብል\" ክብል እቲ ትካል ገሊጹ'ሎ። ኣሮን፡ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብምዃን ኣብ ገድሊ ንናጽነት ድሕሪ ምስታፉ፡ ድሕሪ ናጽነት ናብ ትምህርቲ ዓለም ተመሊሱ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብጋዜጠኝነት ብዲግሪ ተመሪቑ። ኣብ ነሓሰ 1997 ድማ፡ ምስ ብጾቱ፡ ስምረት ስዩምን ሃብቶም ምሕረትኣብን ብምዃን ጋዜጣ ሰቲት ብምምስራት ን4 ዓመታት ናብ ህዝቢ ክትዝርጋሕ ሰሪሑ። ስዊድናዊ-ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ይሳቕን ጸሓፊን ገጣሚን ፍስሃየ ዮውሃንስ (ጆሽዋ)ን ካልኦትን ድማ ነቲ ተበግሶ ተጸምቢሮሞ። ጋዜጣ ሰቲት፡ ካብተን ድሕሪ ናጽነት ንፈለማ እዋን ናብ ህዝቢ ዝተዘርግሓ ቀዳሞት ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ምዃና ይንገረላ። ኣብ ሰነ 1996 ሕጊ ናጻ ፕረስ ድሕሪ ምእዋጁ፡ ሓያሎ ጋዜጠኛታት ናብ ኢድ ኣንበብተን ክበጽሓ ኪኢለን ምንባረን ይዝከር። እንተኾነ ግን፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መስከረም 2001 ነተን ውልዶ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ድሕሪ ምዕጻዉ፡ ንሓያሎ ካብ ጋዜጠኛታትን ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ሰዊርዎም ይርከብ። ክሳብ ሕጂ'ውን፡ ፍስሃየ ዩውሃነስ ጆሽዋን እቲ ንዝተሰወሰነ እዋን ኣሰናዳኢ ናይታ ጋዜጣ ዝነበረ ዳዊት ኢሳቕን ሃለዋቶም ኣይፍለጥን። ኣብ ጋዜጣ ሰቲት ጽሑፋት ዘበርክት ዝነበረን ሓደ ካብ መስረትቲ ተሌቪዥን ኤርትራ ምዃኑ ዝንገረሉ፡ ብ\"ተጋዳላይ ስኣላይ\" ዝፍለጥ ገዲም ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነበር ስዩም ጸሃየ'ውን ብዘይ ድሃይ ኣብ ማሕዩር ይርከብ። ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ኣሮን ኣብርሃም ዝርከቦም ውሑዳት ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን፡ ሃዲሞም ካብታ ሃገር ብምውጻእ ሂወቶም ከድሕኑ ኪሎም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ መስራትን ዋና ኣዳላውን ናይታ ኣብ 1998 ተመስሪታ ኣብ 2001 ዝተዓጽወት ጋዜጣ ቀስተ ደበና ዝነበረ ጋዜጠኛ ሚልኪያስ ምሕረትኣብ ከምዝዓረፈ ይዝከር። ኤርትራ ክሳብ ሎሚ፡ ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታት ዘይተፍቅድ ሃገር ኮይና፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ኣብ ዝወጸ ናይ ዶብ-ኣልቦ ጋዜጠኛታት ጸብጻብ ደረጃታት ናጻ ፕረስ እታ ዝኸፍአት ተባሂላ ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ ትርከብ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56973038"} {"headline":"ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ዳኒ ፌንስተር ኣብ ምያንማር ን11 ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ","content":"ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ምያንማር ንኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ዳኒ ፌንስተር ን11 ዓመታት ክእሰር ፈሪድዎ። ዳኒ ፌንስተር፡ ብጥሕሰት ሕጊ ኢሚግረሽን እታ ሃገርን ህዝቢ ነቲ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ከይምእዘዞ ዘይሕጋዊ ምትብባዕ ገይሩ ተባሂሉ እዩ ን11 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ። ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን'ውን ምንዓብን ግብረሽበራን ዝብሉ ክልተ ተወሰኽቲ ክስታት ቐሪበሙሉ ነይሮም። እቲ ጋዜጠኛ በዚ ዳሕረዋይ ክሱ ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ ንሕልፈት'ውን ክእሰር ይኽእል። እንተኾነ ናይዚ ድሒሩ ዝቐረበሉ ክልተ ክስታት ፍርዳዊ መስርሑ ገና ኣይተጀመረን። ወዲ 37 ዓመት ዳኒ ፌንስተር፡ ፍሮንተር ምያንማር ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ላዕለዋይ ኤዲተርን ኣመሓዳሪኣን ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ኮይኑ ኣብ ወርሒ ግንቦት'ዩ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ያንጎን ብኣካላት ጸጥታ ምያንማር ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። ኣብ ምያንማር ኣብ ወርሒ ለካቲት ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ካብ ዝካየድ ንድሓር ዳኒ ፌንስተር ዝርከቦም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ጋዜጤኛታት ተኣሲሮም ኣለዉ። ብመሰረት ካብታ ዳኒ ፌንስተር ዘካይዳ ዝነበረት መርበብ ሓበሬታ ዝተዋህበ መግለጺ፡ እቲ ጋዜጠኛ ኣቐድም ኣቢሉ ምስ 'ምያንማር ናው' ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ እዩ ዝሰርሕ ነይሩ። እቲ ዝቐረበሉ ክስን ንኽእሰር ዘፍረዶን ኸኣ ኣብ ምያንማር ናው እናሰርሕ እንከሎ ፈጺምዎ ዝተባህለ እዩ። መርበብ ሓበሬታ ፍሮንተር ምያንማር ኣብ ዘውጸአቶ መግለጺ ድማ \"እቲ ፍርዱ ንምንታይ ኣብታ ከይትሰርሕ ዝተኣገደት ምያንማር ናው ሰሪሕካ ዝብል እዩ። ዳኒ ካብ ሓምለ 2020 ጀሚሩ ምስ ምያንማር ናው ዝነበሮ ውዕል ኣቋሪጹ ምስታ መርበብ ሓበሬታ ምሰራሕ ኣቋሪጽዎ። ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኸኣ ምስ ፍሮንተር ምያንማር ስራሕ ጀሚሩ ክሳብ ኣብ ግንቦት 2021 ዝእሰር ኸኣ ምሳና ሰሪሑ\" ኢላ። ብምስዓብ \"ንዳኒ ፌንስተር ከኽስሶን ክእስሮን ዝኽእል ዝኾነ ሕጋዊ ባይታ የለን\" ኢላ። ቅድሚ ሓደ ወርሒ'ውን ጃፓናዊ ጋዜጤኛ ስኑዕ ዜና ዘርጊሕኻ ተባሂሉ ኣብ ምያንማር ተኣሲሩ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ዩኪ ኪታዙሚ ዝተባህለ ጃፓናዊ፡ ጃፖን ብዝገበረቶ ጻዕሪ ክፍታሕ ክኢሉ እዩ። መንግስቲ ኣመሪካ ንወተሃደራዊ ምምሕዳር ምያንማር ንዳኒ ፌንስተር ክፈትሖ'ኳ እንተሓተተት፡ ወሃቢ ቃል ወተሃደራዊ መንግስቲ ምያንማር ግን ዳኒ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሕ ምዃኑ'ዩ ምልሲ ሂቡ። ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ወርሒ ለካቲት ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ካብ ዝሕዝ፡ ኣንጻሩ ንዝተለዓለ ህዝባዊ ናዕቢ ንብርዓን ብዝወሰዶ ወተሃደራዊ ሓይሊ 1178 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ልዕሊ 7000 ሰባት ተኣሲሮም ኣለዉ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59257912"} {"headline":"ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ኣብ ኣዋሽ ሰባት ከምዝርከቡ ፖሊስ ገሊፁ","content":"ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ክሳብ ሕዚ ደሃይ ዝተኣሰርሉ ጠፊኡ ዝነበሩ 14 ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታትን መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ \"ኣዋሽ ሰባት\" ከምዝርከቡ ተገሊፁ። ኣብ ጉዳይ እዞም ኣካል ናፃ ናይ ምውፃእ መመልከቲ ኣእትዮም ዝነበሩ 14 ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታትን ሚድያ፡ ፖሊስ ናብ ቤት-ፍርዲ ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ነቶም ሰብሞያ ናብ ኣዋሽ ሰባት ከምዘዘዋወሮም ገሊፁ። ፖሊስ ናብ ልደታ ታሽዓይ መጋባእያ ፍትሓብሄር ትማሊ ሰኑይ ቀሪቡ ብፅሑፍ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ \"እቶም ተጠርጠርቲ ብሰንኪ ፅበት ቦታ ኣብ ክልል ዓፋር፡ ወረዳ ፈንታሌ ኣዋሽ ሰባት ኪሎ ናብ ዝርከብ ጨንፈር ወሲደዮም\" ኢሉ። ናብ ቤት-ፍርዲ ወረዳ ፈንታሌ ዝቐረበ መመልከቲ'ውን፡ ክሳብ 26 ሓምለ ንምርመራ ግዘ ከምዝተፈቐደ፡ ፖሊስ ሓቢሩ። ናብ ወረዳ ፈንታሌ ቤት-ፍርድን ናብቲ መጋባእያ ከም መረዳእታ ኮይኑ ዝቐረበን መመልከቲ (ደብዳበ) ከምዝሕብሮ፡ እዞም ጋዜጠኛታት ን 29 ሰነ 2013 ዓ.ም ቆፀሮ ተሓቲትሎም። ፖሊስ እቶም ጥርጡራት \"ብማሕበራዊ ሚድያ፡ ፌስቡክ፣ ዩቲዩብ፣ቴሌግራምን ዋትስኣፕን ብምጥቃም፡ ኣብ ሃገራት ወፃኢ ምስ ዝርከቡ መሻርኽቶም ብምዃን፡ ኣብ ሕብረተሰብ ፀቕጢ ንምፍጣር፣ ብሄር ብሄረሰባት ንክጓነፁ፣ ህዝቢ ተረጋጊዑ ስርሑ ንከይሰርሕ፡ ኲናት ዘለዓዕሉ መልእኽታት ወዚዖም\" ዝብሉ ሓዊሱ ብተመሳሳሊ ገበናት ጠርጢረዮም ዝበሎም፡ ናብ ቤት-ፍርዲ ወረዳ ፈንታሌ ኣመልኪቱ። ኣዋጅ መራኸብቲ ሓፋሽ ብምጥሓስን ሕገ-መንግስቲ ብሓይሊ ንምፍራስ እንክንቀሳቐሱ ኣብ ቀይዲ ውዒሎም ዝብል እቲ ክሲ፡ ነዚኦም ንምምርማር ግዘ ይወሃበኒ ኢሉ ኣመልኪቱ ኔሩ። 12 ሓምለ ተወሳኺ ግዘ ቆፀሮ ይወሃበኒ ዝበለ ፖሊስ፡ ኣብቲ ዝተውሃበኒ ግዘ ፈፂመዮም ዝበሎም ዝርዝር ተግባራት ነቲ መጋባእያ ኣቕሪቡ። ብመሰረት እዚ፡ \"ንጥርጡራት ምዝራብ፣ ቃል ምስክርነት ምቕባል፣ መረዳእታ ምእካብ፣ ካብ ሰብመዚ መራኸብቲ ሓፋሽ መረዳእታ ምትእኽኻብን ካብ መረዳእታን ድሕንነትን ቴክኒካዊ መረዳእታ ናይ ምሕታት ስራሕቲ ሰሪሐ\" ኢሉ፡ ንዝተረፉ ስራሕቲ ድማ ተወሳኺ ግዘ ይወሃበኒ ኢሉ። ኣካል ናፃ ናይ ምውፃእ ጥርዓን ዝምልከት ድማ ንዝምልከቶ መጋባእያ እዞም ሰነድ ዘቕረበ ፖሊስ፡ ግዘ ቆፀሮ መሕተቲ እምበር፡ ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ፈንታሌ ዝርከብ ቤት-ፍርዲ ቆፀሮ ግዘ ዝፈቐደሉ ሰነድ ኣየተሓሓዘን ተባሂሉ። እቲ መጋባእያ ድማ፡ ቆፀሮ ግዘ ዝተፈቐደሉ ሰነድ ንክተሓሓዝ ኣዚዙ። ኣብዚ ጉዳይ ፖሊስ ሒዝዎ ዝመፅእ መልሲ ንምዕዛብ ድማ፡ ንቀፃሊ ሓሙስ 22 ሓምለ 2013 ዓ.ም ቆፀሮ ሂቡ። ተጣባቒ መሰላት ጋዜጠኛታት ሲፒጄ ንማእሰርቲ እቶም ጋዜጠኛታት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ብቕልጡፍ ክፈትሖምን ኣብቲ ዓውዲ ኣብ ልዕሊ ዝወፈሩ ሰብሞያ ዘብጽሖ ፀቕጢ ደው ከብልን ምፅውዑ ይዝከር።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57988174"} {"headline":"ናጽነት ሚድያ፡ ዓለምለኸ ትካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ጋዜጣ ኣዲስ ስታንዳርድ ንዝወሰዶ ስጉምቲ ተቓዊሞም","content":"ሕብረት ኣውሮጳ ከምኡ'ውን ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝጣበቑ ሲፒጄ፣ ኣር ኤስ ኤፍን ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ኤፍፒጄን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ጋዜጣ ኣዲስ ስታንዳርድ ንዝወሰዶ ስጉምቲ ተቓውሞ ከምዘስምዑ ተፈሊጡ'ሎ። በዓል መዚ መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያ ብማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ \"ንኣጀንዳ ኣሸባሪ ጉጅለ የሰጉም'ዩ\" ክብል ነቲ ጋዜጣ ይኽስስ። \"ነቶም ጉጅለ ሽበራ 'ሓይልታት ምክልኻል' ዝብል ኣፍልጦ ሂቡ\" ክብል'ውን ወሲኹ ሓቢሩ። ነዚ ስዒቡ እቲ ጋዜጣ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ \"ምሒር ከምዝተረበሸ\" ብምሕባር ካብ ትማሊ ሓሙስ ጀሚሩ ስርሑ ደው ምባሉ ኣፍሊጡ። ነቲ ጋዜጣ ዝውንን ኩባንያ ጃከን ኣሕታሚ ብወገኑ፡ \"ግቡእ መብርሂ\" ከምዘይበጽሖ'ዩ ዝገልጽ። ወኪል ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ ብማሕበራዊ ገጹ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ \"መራኸቢ ብዙሃን ንዝኾነ ይኹን ስርዓት ዴሞክራሲ ከም ሰራውር ደም'ዮም። ጋዜጠኛት ስርሖም ብናጽነት ክሰርሑ ግድን'ዩ\" ኢሉ። ጉጅለ ዓለምለኸ ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ብወገኑ ካብ በዓልመዚ መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያ መብርሂ ክወሃቦ ከምዝሓተተ ገሊጹ። እቲ በዓል መዚ ግልጺ ዘይኮነ ውሳነ ከምዘሕለፈ ዝጠቅስ ጉጅለ ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት \"ጋዜጠኛታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ምእሳር የብቅዕ፤ ሰበስልጣን ንናጽነት መራኸቢ ሓፋሽ ከጥቅዑ የብሎምን\" ኢሉ። ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ዝርከብ ማሕበር ፕረስ ኣፍሪቃ ድማ ነጻ ሚድያ ኣብ ምጥንኻር ዴሞክራሲ ዓብዪ ብጽሒት ከምዘለዎ ብምሕባር \"በዓልመዚ መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያ ብዘይገለ ምኽንያት ፍቓድ ጋዜጣ ኣዲስ ስታንዳርድ ምስራዙ ኣቖጢዑና'ሎ\" ክብል ገሊጹ። ሲፒጄ ብወገኑ \"እቶም ሰብመዚ ብቐልጡፍ ፍቓድ ጋዜጣ ኣዲስ ስታንዳርድ ክመልሱ ኣለዎም። ጋዜጠኛታት ብናጽነት ስርሖም ክሰርሑ ምግባር ኣገዳሲ'ዩ። ዝኾነ ይኹን መራኸቢ ብዙሓን ብዘይ ምምያ ['ሳንሱር']ን ትንኮያን ስርሑ ክሰርሕ ኣለዎ\" ክብል መርገጺኡ ኣፍሊጡ። መስራቲት ኣዲስ ስታንዳርድ ዝኾነት ጸዳለ ለማ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፤ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ክወስድዎ ከምዝሓሰቡ ተዛሪባ። \"ምኽንያቱ እዚ ውሳነ ትኽክለኛ እዩ ኢልና ኣይንኣምንን\" ኢላ። ንናጽነት ፕረስ ከምዝግደስ ዝገለጸ በዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያ \"ናጽነት ዝህሉ ሓላፍነትን ተሓታትነትን ምስ ዝህሉ'ዩ\" ኢሉ። ጋዜጣ ኣዲስ ስታንዳርድ ነቲ ሓይልታት ትግራይ ዝወሰድዎ መጥቃዕቲ ዝምልከት ጸብጻባት ብቐጻሊ ክሰርሕ ምጽንሑ ይፍለጥ። ንመንግስቲ ትግራይ ዝመርሕ ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ [ህወሓት] ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣሸባሪ ከምዝተበሃለ ይዝከር። ሰራዊት ምክልኻል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበራ ከተማታት ዳግም እናተቖጻጸረ ይርከብ። ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ክልተ መራኸቢ ብዙሃን ዝሰርሑ 15 ሰብ ሞያ ኣብ ቁጽጽር ከምዝወዓሉ፤ ጸኒሖም ድማ ሰለስተ ክፍትሑ ከለዉ ዝተረፉ ግን ዛጊድ ኣብ ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሊጡ ነይሩ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57861911"} {"headline":"ጋዜጠኛታት ማሪያ ሬሳን ዲመትሪ ሙራቶቭን ተዓወትቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም ኮይኖም","content":"ፊሊፒናዊት ኣመሪካዊት ጋዜጠኛ ማሪያ ሬሳን ሩስያዊ ጋዜጠኛ ዲመትሪ ሙራቶቭን ናይዚ ዓመት ተዓወትቲ ሽልማት ኖቤል ዘፈር ሰላም ኮይኖም። ኮሚቴ ኖቤል ሰላም ክልቲኦም ጋዜጠኛታት መሰል ሓሳብኻ ብናጽነት ምግላጽ ንምሕላው ንዝገበሩዎ ኣበርክቶ ከም ዝሸለሞም ኣፍሊጡ። እቶም ጋዜጠኛታት ካብ ሞንጎ 239 ሕጹያት’ዮም ተዓወትቲ ኮይኖም። እዚ ዓብዪ ኣፍልጦ ዘለዎ ሽልማት ኖቤል ሰላም ዝተዓወቱ ጋዜጠኛታት ኣብ ኦስሎ ኣብ ዝርከብ ኢንስቲትዩት ኖርወጂያን ኖቤል ተረኺቦም 1.1 ሚሊዮን ዶላር ኣመሪካ ክቕበሉ’ዮም። ተሓላቒት ስነ ኸባቢ ግሬታ ተንበርግ፣ ተሓላቒ መሰላት መራኸቢ ብዙሃን ዝኾነ ትካል ሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ ከምኡ'ውን ትካል ጥዕና ዓለምን ኣብዚ ዓመት፡ ሽልማት ኖቤል ሰላም ክዕወቱ’ዮም ተባሂሎም ትጽቢት ተገይሩሎም ነይሩ። ፊሊፒናዊት ኣመሪካዊት ጋዜጠኛን ጸሓፊትን ማሪያ ሬሳ ንልዕሊ 20 ዓመታት ጋዜጠኛ መርመራዊ ጸብጻባት ኮይና ኣብ ሲኤንኤን ሰሪሓ። ብ2020፡ ማሪያ ሕጊ ሳይበር ፊሊፒንስ ተመሓላሊፋ ብዝብል መንግስቲ ፊሊፒንስ ከሲሱዋ ነይሩ። ነቐፍቲ ግን እታ ጋዜጠኛ ስርሓ ጠጠው ንክተብል ጸቕጢ ንምግባር እምበር ዝጥሓሰቶ ሕጊ የለን ክብሉ ተኻቲዖም። ሩሲያዊ ጋዜጠኛ ዲመትሪ ሙራቶቭ ብወገኑ ምስ ካልኦት ናይ ሞያ መሓዙቱ ኮይኑ ኣብ ዝመስረቶ ጋዜጣ ‘ቮቫጃ’ ኣብ ሩሲያ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኣብ ዝኾነ ኩነታት ዘይሻራዊ ሓሳባት ብናጽነት ዕድል ንክረኽቡ ክሰርሕ ጸኒሑ’ዩ ክብል ትካል ሽልማት ኖቤል ገሊጹ። ንሱ ንዝሓለፉ 24 ዓመታት ኤዲተር እታ ጋዜጣ ኮይኑ ኣገልጊሉ። “ናጻ፣ ዘይሻራውን ኣብ ሓቂ ዝተሞርኮዘን ጋዜጠኝነት ስልጣን ብዘይኣግባብ ምጥቃም፣ ሓሶትን ፕሮፖጋንዳን ንምክልኻል ይሕግዝ” ይብል መግለጺ እቲ ኮሚቴ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ጥምየት ኣብ ምቅላስን ንሰላምን ንዝገበሮ ኣበርክቶ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም ምዃኑ ይዝከር።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58844379"} {"headline":"ቅልውላዉ ትግራይ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ንዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣሲሩ","content":"ሰራዊት ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝጸንሐ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ግርማይ ገብሩ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ፡ ቢቢሲ ማእሰርቲ ጋዜጠኛኡ ከምዘሻቐሎ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ። እቲ ጋዜጠኛ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ዝርከብ ሓደ እንዳ ሻሂ'ዩ ወታሃደራዊ ልብሲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዝተኸድኑ ወታሃደራት ምስ ካልኦት 4 ሰባት ተወሲዱ። መሰኻኽር ዓይኒ ከምዝበልዎ፡ ግርማይ ወታሃደራዊ ክዳን ሰራዊት ፈደራል ብዝለበሱ ወታሃደራት ናብ ሓደ ኣብታ ከተማ ዝርከብ ወታሃደራዊ መዓስከር ተወሲዱ'ሎ። ስለምንታይ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ዛጊት ዝተፈልጠ የለን። ቢቢሲ ጋዜጠኛኡ ኣብ ቀይዲ ምእታዉ ከምዘሻቐሎ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ'ሎ። ውሃቢ ቃል ቢቢሲ \"ስክፍታና ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጽና ኣለና፤ ምላሾም ኸኣ ንጽበ ኣለና\" ኢሉ። ቅድሚ ሒደት መዓልታት ክልተ ንጋዜጠኛታት ኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒን ፋይናንሻል ታይምስ ዝተባህለ ጋዜጣን ዝትርጉሙን ዝተሓጋገዙን ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም'ዩ ጋዜጠኛ ቢቢሲ'ውን ተኣሲሩ ዘሎ። ሓደ ታምራት የማነ ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ'ውን ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ብሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ምህላዉ ይፍለጥ። ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ትካል ሲፒጄ፡ ነዚ ማእሰርትታት ብዝምልከት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ \"መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ኣሲርዎም ዘሎ ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት ሚድያን ክፈትሕን፡ መራኸብቲ ብዙሓን ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጎንጺ ከይፈርሑ ክጽብጽቡ ከፍቅድን\" ጸዊዑ'ሎ። ብዛዕባ እዚ ማእሰርትታት ርእይቶ ንምርካብ ናብ ግዚያዊ ኣመሓዳሪ ትግራይ ሙሉ ነጋ ከምዝደወለ ዝገለጸ ሲፒጄ፡ ንሱ ስልኩ ከምዘየልዓለ ገሊጹ። ክልል ትግራይ ካብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ፡ ኣብ ትሕቲ ወታሃደራዊ እዚ ኣትያ ምህላዋ ይፍለጥ። ኣብ መወዳእታ ናይቲ ወርሒ፡ ሰራዊት ፈደራል ንከተማ መቐለ ድሕሪ ምቁጽጻሩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ እቲ ኣንጻር ሓይልታት ህወሓት ዝኣወጆ ወታሃደራዊ ስርሒት ከምዝተዛዘመ ገሊጹ ነይሩ። እቲ ግጭት፡ ብ3 ሕዳር 2020 ሓይልታት ህወሓት ንሰራዊት ሰሜን እዚ ብምጥቃዕ፡ መዓስከራቱ ድሕሪ ምቁጽጻሮም'ዩ ተወሊዑ። ኣብቲ ኲናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት። ኣብቲ ክልል ሓያሎ ገበናት ከምዝተፈጸሙ ይግለጽ። እቲ ኲናት ሰፊሕ ምፍንቓል ዝርከቦ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ'ሎ። ዓለምለኻውያን ናይ ዜና ትካላት ናብቲ ክልል ከይኣትዉ ንኣዋርሕ ድሕሪ ምእጋዱ፡ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጋዜጠኛታቶም ናብቲ ክልል ብምእታው ክጽብጽቡ ኣፍቂዱ'ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓደ ብዓልስልጣን ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና፡ \"ኣብ ልዕሊ'ቶም ንዓለምለኻውያን ማዕከናት ዜና ዘጋግዩ ስጉምቲ ክውሰድ'ዩ\" ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ። ኣግልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒን ፋይናንሻል ታይምስን ኣብ ትግራይ ኣትዮም ክጽብጽቡ ካብ ብዓልመዚ ብሮድካስቲንግ ኢትዮጵያን ሚኒስትሪ ሰላምን ፍቓድ ተዋሂብዎም'ዩ። \"ብዛዕባ'ቲ ኣብ ልዕሊ ፍጹም ብርሃነ ዝቐረበ ክሲ ዝተነግረና የለን። ብህጹጽ ክፍታሕ ድማ ንጽውዕ\" ክብል ኣካያዲ ጉዳያት ዓለም ኤ-ኤፍ-ፒ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ተዛሪቡ። ፋይናንሻል ታይምስ ብወገኑ፡ ነቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ተርጎምቲ ንምውጻእ \"ኣድላዪ ዘበለ ስጉምቲታት\" ንወስድ ኣለና ክብል ገሊጹ'ሎ። ዋላ'ኳ ኣብ መወዳእታ ሕዳር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሰራዊቱ ንመቐለ ድሕሪ ምሓዝ፡ እቲ ዝኣወጆ ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ብዓወት ከምዝተዛዘመ እንተገለጸ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ረጽሚ ይቕጽል ከምዘሎ ይንገር። እቲ ን6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣብታ ክልል ዝኣወጆ ህጹጽ ግዜ'ውን ጸኒዑ'ሎ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56246692"} {"headline":"ቢቢሲ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝኽተልዎ ሓዲሽ ሕጊ ኣውጺኡ","content":"ቢቢሲ ኣብ ትሕቲኡ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ግድን ከተግብሩዎ ዘለዎም ሓዲሽ ኣገባብ ኣጠቃቕማ ማሕበራዊ ሚድያ ኣተኣታትዩ። ብመሰረት እዚ ሓዲሽ ሕጊ ሰራሕተኛታት ቢቢሲ ኣብ ህዝባዊ ፖሊሲ፣ ፖሎቲካን ተኣፈፍቲ ዛዕባታትን ውልቃዊ ሓሳቦም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከስፍሩ ኣይክፍቀዶምን'ዩ። እዚ፡ ሓዲሽ ጀነራል ዳይሬክተር ቢቢሲ ቲም ዴቪ ብመሰረት እቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ኣጠቃቕማ ማሕበራዊ ሚድያ ሓዲሽ ሕጋጋት ከም ዘተኣታቱ ብዝኣተዎ ቃል እዩ ተገባራዊ ዝኸውን ዘሎ። ብተወሳኺ፡ ሰራሕተኛታት ቢቢሲ ካብ ናይ ቢቢሲ ዶሞዝ ወጻኢ ጎድናዊ ኣታዊታት ዝረኽብሉ ስራሕ እንተሃልይዎም ኣታዊታቶም ከፍልጡ ክግደዱ'ዮም። እቲ ሓዲሽ ኣጠቃቕማ ማሕበራዊ ሚድያ እንታይ'ዩ ዝብል? ቢቢሲ፡ ኣባላቱ ኣብ ተቃውሞታት ምስ ዝሳተፉ፣ ኣብ ጎስጓሳት ሓሳቦም ምስ ዘስፍሩ ከም ትካል ወገናዊ (ሻራዊ) ስለዝብሎ ነዚ ኣብ ግምት ኣእትዮ ነዚ ሕጊ ከም ዘተኣታተዎ ይሕብር። እዚ ሓዲሽ ሕጋጋት ንኹሎም ኣብ ትሕቲ ቢቢሲ ዝሰርሑ ዝምልከት ምዃኑ'ውን እቲ ዝወጽአ ሕጊ የፍልጥ። ኩሎም ኣባላት ቢቢሲ ኣብ ወልቃዊ ማሕበራዊ ሚድይኦም ንቢቢሲ ሕማቕ ሽም ዘትርፍ ይኹን ንብጻዮም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲም ክነቕፉ ኣይክፍቀዶምን'ዩ። እቲ መግለጺ ብምስዓብ \"ትካልካ ካብ ዝኾነ ኣድልዎ ነጻ ክትከውን ዝደልየካ እንተኾይኑ ኣብ ህዝባዊ ፖሊሲ፣ ፖሎቲካ ይኹን ተኣፈፍቲ ነገራት ዘለካ ወልቃዊ ርእይቶ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣይትጽሓፍ፤ ኣይትዛረብ\" ይብል። እቲ ሓዲሽ ሕጊ ሰራሕተኛታት ቢቢሲ ኣብ follow፡ like ወይ retweeting እውን ዘይሻራውያን ከኾኑ ከም ዘለዎም ሰፊሩ ኣሎ። ቢቢሲ “ብፍላይ ኣብ ዜናዊ ጉዳያት፡ ላዕለዎት ሓለፍትን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጸለውቲ ኯይኖም ብዙሕ ሰዓቢ ዘለዎም ኣቅረብቲ መደብን ተሪር ዝኾነ መምርሒታት ወጺኡሎም ኣሎ”ይብል። ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ገለ ኣቅረብቲ መደብ ኣብ ትዊተር ውልቃዊ ርእይትኦም ብምጽሓፎም ኣብ ልዕሊኦምን ኣብ ልዕሊ ቢቢሲን ነቀፌታ በጺሑ ነይሩ እዩ። ጋዜጤኛታት ቢቢሲ ይኹኑ ኣብ ትሕቲ ቢቢሲ ዝሰርሑ “እዚ ሓሳብ እዚ ናይ ውልቀይ እዩ ንቢቢሲ ዝውክል ኣይኮነን” ብምባል እውን ዝኾነ ርእይቶ ከይስፍሩ ኣይክፍቀደሎምን እዩ። ጎድናዊ ኣታዊታትካ ምሕባር ሰራሕተኛታት ቢቢሲ ጎድናዊ ኣታዊታት እንተሃልይዎም ከፍልጡ ዝብል ሓዲሽ ሕጊ፡ ዓበይቲ ሓላፍቲ ቢቢሲ ካብ ቢቢሲ ወጻኢ ኣብ ካልእ’ውን ከም ዝሰርሑ ዝገልጽ ነቀፌታ ድሕሪ ምምጽኡ ዝወጽአ ሕጊ እዩ። ጀነራል ዳይሬክተር ቲም ዴቪ ገለ ጋዜጤኛታትን ኣቅረብቲ መደብን ነቲ ናይ ጎድናዊ ኣታዊታቶም ንኽሕልዉ ርትዓውነቶም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከእትዉ ከም ዝኽእሉ ገሊጹ። ቅድሚ ሕጂ ሰራሕተኛታት ቢቢሲ ካልእ ጎድናዊ ንግዳዊ ስራሕ ንምስራሕ ፍቃድ ይሓቱ'ኳ እንተነበሩ፤ ንኹሉ ዘማእከለ ሓበሬታ ከም ዘይነበረን ክንደይ ኣታዊታት ኣለዎም ከፍልጡ ይግደዱ ዘይምንባሮምን እቲ መግለጺ ይጠቅስ። ሕጂ ግን ካብ ዝመጽእ ወርሒ ሚያዝያ 2021 ጂሚሩ ኣብ ቀዳማይ ጸብጻር ርብዒ ዓመት (ካብ ጥሪ 2021 ክሳብ መጋቢት 2021 ዝሽፍን) ጎድናዊ ኣታዊታት ናይ ሰራሕተኛታት ቢቢሲ ኣብ ጸብጻብ ከሰፍር ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። ጀነራል ዳይሬክተር ቢቢሲ ቲም ዴቪ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንኣባላት ባይቶ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ንቢቢሲ ናብ ዘይሚዛናውነት ዘቃልዑ ዘበሉ ነገራት ‘ኣዝዩ ንጹር’ ዝኾነ እገዳታት ከም ዝግበረሎም ምግላጹ ይዝከር። ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ሰራሕተኛታት ቢቢሲ፡ ምስ ቢቢሲ ምስራሕ ክቅጽሉ እንተኾይኖም ናይ ‘ትዊተር ሕሳቦም ከደስክሉ ዝሕተትሉ’ውን ክህሉ እዩ” ኢሉ። ብምስዓብ “ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣተኣታቲናዮ ዘለና ሓደሽቲ ሕጋጋት ነቲ መስመር ብንጹር ፈልዩ ዘርኢ እዩ፡ ኣብ ፖሎቲካዊ ሰልፍታት ተራ ክህልዎ ንዝደሊ ቢቢሲ ኣይቦትኡን’ዩ” ኢሉ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54790390"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ጋዜጠኛ ተመስገን ደሳለኝ ተፈቲሑ","content":"ትማሊ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ዋና ኣሰናዳእን ወናኒን መጽሄት ፍትህ ተመስገን ደሳለኝ ሎሚመዓልቲ ከምዝተፈትሐ ሓዉ ታሪኩ ደሳለኝ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ሎሚ ንጉሆ ኣብ ፖሊስ ኮሚሸን ኣዲስ ኣበባ ተኣሲሩ ንዝሓደረ ሓዉ ክሓትት ኣብ ዝኸደሉ \"ክትኣትው ኣይትኽእልን\" ተባሂሉ ከምዝነበረ ገሊጹ። ንተመስገን ሎሚ ናብ ቤት ፍርዲ ከቕርብዎ ከምዝኽእሉ ብምግማት ኣብኡ ኮይኖም ይጽበዩ ኣብ ዝነበሩሉ ሰዓት ከምዝተፈትሐ ኣረዲኡ። ምስኡ ዝተኣሰረ ኣሰናዳኢ መጽሔት ፍትህ ጋዜጠኛ ምስጋናው ዝናቤ'ውን ተፈቲሑ'ሎ። \"ኣብ ቀይዲ ዝወዓለሉ ምኽንያት ብዝምልከት ግን ክሳብ ሕዚ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይረኸብናን\" ኢሉ። ትማሊ ንዝተወሰኑ ደቓይቕ ረኺቡ ዝተኣሰረሉ ምኽንያት ምስሓተቶ \"ስኑዕ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ትድለይ ኣለኻ ካብ ዝብል ወጻኢ ካልእ ዝበሉኒ ነገር የለን\" ዝብል መልሲ ከምዝሃቦ'ውን ወሲኹ ሓቢሩ። ብተወሳኺ ድማ \"ጠበቓይ ከይመጽአ ዝዛረቦ ነገር የብለይን ኢለ ኮፍ ኢለኹ። ዝኽደኖ ኮበርታ ንከፍቅዱለይ ሕተቶም\" ከምዝበሎ ታሪኩ ኣብ ፌስቡክ ዝጠቅዖ ሓበሬታ የመልክት። ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ከባቢ ሰዓት 9፡00 ኣ.ኢ (3፡00) ሸሞንተ ዝኾኑ ኣባላት ፖሊስ፡ 'ኣቧሬ' ኣብ ዝባሃል ከባቢ ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት መጽሄት ፍትህ ከምዝኸዱን ኣብኡ ንዘይረኸብዎ ጋዜጠኛ ተመስገን ካልኦት ኣዳለውቲ እታ መጽሄትደዊሎም ከምዘረድእዎን ታሪኩ ገሊጹ። ተመስገን ምስቶም ኣባላት ፖሊስ ብስልኪ ዝተዘራረበ ኮይኑ መጸዋዕታ ወይ ናይ ክሲ ወረቐት ሒዞም መጺኦም እንተኾይኖም ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ገዲፎምሉ ክኸዱ'ዩ ሓቢርዎም። ፖሊስ ግን ንዕኡ ከዘራርብዎ ከምዝደልዩን ዝርከበሉ ቦታ ክነግሮምን ስለዝሓተትዎ፡ ብኣካል ከዘራርቦም ናብ ቤት ጽሕፈቱ ከምዝተመለሰ ሓዉ ኣብ ፌስቡክ ጠቂሱ። ሽዑ ናብ መኪንኦም ኣእትዮም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ ብልሙድ 'ሶስተኛ' ብዝብል ናብ ዝፍለጥ ቤት ማእሰርቲ ከምዝሰድዎ ገሊጹ። ምስጋን ዝናቤ ዝተባህላ ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ፍትህ'ውን ምስተመስገን ከምዝተወሰደ ሓቢሩ። ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ማእሰርቲ እቲ ጋዜጠኛ ተሓቲቱ \"ፖሊስ ፌደራል ከምዝምልከቶ\" ብምግላጽ ተወሳኺ መብርሂ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ'ሎ። ቢቢሲ ኣብቲ ጉዳይ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ፖሊስ ፌደራል እንተደወለ'ኳ ብተመሳሳሊ ኩነታት መልሲ ክረክብ ኣይከኣለን። ቅድሚ ሎሚ ንሰለስተ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሐ ጋዜጠኛ ተመስገን ግዜ ማእሰርቱ ዛዚሙ ከምዝወጽአ ይዝከር። ሽዑ እቲ ጋዜጠኛ፡ ኣብ ጋዜጣ ፍትህ ብዝጸሓፎም ጽሑፋት'ዩ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝኣተወ። ስም ብምጽላም፣ ብሓሶት ምጥቃን፣ ስኑዕ ዜናታት ምዝርጋሕ፣ ኣተሓሳስባ ሰባት ምንጋዕን ንዓመጽ ክለዓዓሉ ምግባርን ዝብሉ ክስታት ቀሪቦምሉ ምንባሮም ይፍለጥ። ብሓደ ክሲ ጥራይ ጥፍኣተኛ ኮይኑ ስለዝተረኸበ ድማ ናይ ሰለስተ ዓመት ማእሰርቲ ስለዝተፈረዶ ድማ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣትዩ ነይሩ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54550452"} {"headline":"ብሰንኪ ዝለሓዄ ቪድዮ ኣርባዕተ ኣባላት ቦርድ ኤሪሳት ካብ መዝነቶም ወሪዶም","content":"ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣባላት ቦርድ ኤሪሳት ‘ብዙም’ ዝገበርዎ ኣስታት ሰለስተ ሰዓታት ዝወሰደ ብቪድዮ ዝተቐድሐ ስቱር ኣኼባ፡ ናብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምልሓኹ ኣዛራራቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ቀንዩ ኣሎ። እቶም ኣባለት ቦርድ ነዚ ኣመልኪቶም ኣብ ዘውጽዎ መግለጺ፡ እቲ ናብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ቪድዮ “ኣብ ኤሪሳት ክሰርሕ ዝጸንሐ ኣባል ቦርድ ዘይኮነ ሰብ ኣብ ስቱር ናይ ዝተኻየደ ኣኼባ ዝተሰነደሉ ቪድዮ ሰሪቑ ናብ ኣብ ውሽጢ ኤሪሳትን ካብዚ ትካል ወጻኢ ዝርከቡን ሰባት ዓዲልዎ” ብምባል እቲ ጉዳይ ብሕጊ ይረአ ምህላዉን ሕጋዊ መልሲ ክረክብ ምኳኑን ገሊጾም። “እቶም ካብ ኤሪሳት ወጻኢ ዘለኹም ኣብቲ ኣኼባ ኣስማትኩም ብጽቡቕ ዘየልዓልናኩም ሰባት’ውን ይቕሬታ ንሓተኩም።ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኩነታት ንሰባት ብሕማቕ ምጽዋዕ ጌጋ ምዃኑ ንኣምን። ምስ ግዜ ድክመትና ሸለል ኢልኩም ይቕረ ኽትብሉልና ንትስፎ።” መግለጺ ኤሪሳት ብምስዓብ፡ ካብቶም ቃላት ተጠቒሞም ዝተባህሉ ኣባላት ቦርድ ኤሪሳትን ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉን ኣቶ ዘካርያስ ገሪማ፡ ኣቶ ፊልሞን ኣለምን ከምኡ’ውን ኣቶ ፊልሞን ሓጎስን “ስምዒታውያን ኰይኖም ክሳዕ ዘይምዕሩግ ቃላት ዝድርብዩ ኣብቲ ስቱር ኣኼባ ምሕራቖም ስለዝጠዓሶም ሎሚ 29 ሰነ 2020 ብፍቓዶም ካብ ኣባልነት ቦርድ ኽእለዩ ወሲኖም ኣለዉ” ይብል። ብዘይካ እዚ ኣደመንበር ቦርድ ኤሪሳት ዶር ሳባ ተስፋዮሃንስ’ውን ብወገና ካብቲ ዝነበራ መዝነት ክትወርድ ከምዝወሰነትን ኣቶ እስማዒል ጋባይታ ንዓኣ ብምትካእ ኣቦመንበር ኮይኑ ከምዘሎ መግለጺ ይሕብር። እታ ብተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾኑ ተጠበቕቲ ዝቖመት መደበር ተለቪዥን፡ ኣብ ውሽጣዊ ኣራርሓኣ “ምትዕርራይ” ክትገብር ምዃና እቲ ቦርድ ጠቒሱ። “ብፍላይ ተረርቲ ውሳኔታት ኣብ ዘድልዩሉ ብቐረባ ንውከሶም ለባማት ኣሕዋት ምእንቲ ኽህልዉና ድማ ብዝቐልጠፈ ሽማግለ ኣማኸርቲ ከነቕውም ኢና።” ኤሪሳት ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ 2018 መደባታ ድሕሪ ምጅማራ፡ ንዝተወሰነ ኣዋርሕ መደባታ ብምቁራጽ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2019 መደባታ ዳግማይ ብምጅማር ኣብ ኤርትራ ብዙሕ ሰብ ከምዝከታተላ ይንግር።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53238824"} {"headline":"ሓላፊ ክፍሊ ቋንቋ ትግርኛ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ መልቀቒ ዘእተወሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ?","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ብሮድካስቲን ኮርፖሬሸን ሓላፊ ክፍሊ ቋንቋ ትግርኛ ጋዜጠኛ ሃይለማርያም ገብረሂወት “ብዝበጽሐኒ ጸቕጥታት ካብ ሓላፍነተይ ክለቅቕ ወሲነ” ኢሉ። ጋዜጠኛ ሃይለማርያም ገብረሂወት፡ ኣብቲ ትካል ዘለዉ መሪሕነት ዝደልይዎ ጥራይ እምበር ንኤዲቶርያል መምርሒ መሰረት ብምግባር ንሳቶም ዘዳልውዎም መደባት ከቕርቡ ኣብ ዘይክእሉሉ ደረጃ ከምዝበጽሑ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። “ናይ ፌደራል ሚድያ ከም ምዃኑ መጠን ንድምጺ ብዙሃን ከቃልሕ ምተገብአ፤ ሕዚ ግን ብኡኡ ደረጃ ኣይኮንናን ንሰርሕ ዘለና። ሓደ ዓይነት ሓሳብ ጥራይ’ዩ ክመሓላለፍ ዝድለ” ኢሉ። ዝተፈላለዩ ሓሳባት አብ ክንዲ ዝተኣናገዱ “ካብ ላዕሊ ንዝመጽኡ ጥራሕ” ተመሳሰልቲ ሓሳባት ክመሓላለፉ ከምዝግብር እውን ንቢቢሲ ሓቢሩ። “ብዙሕ ግዜ ካብ ትግራይ ዝመጽኡ ዜናታት ብፍላይ ፖለቲካዊ ውሳነታት ከምኡ’ውን አብ ትግራይ ዝርከቡ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ዘካይድዎም ኣኼባታት ክነሕልፍ ኣይፍቀድን” ዝበለ እቲ ሓላፊ፡ ብፍላይ ካብ ቀረባ እዋን ናብዚ “እከለን በዓል እከለን እናዓደምኩም ኣዘራርብዎም” ዝብል መምርሒ ክበጽሖም ከምዝጀመረ ኣረዲኡ። ነዚ ድማ ‘ሓሳባት ብናጽነት ቀሪቦም ህዝቢ በዓሉ ክመመይ ይገበረ’ ኢሎም ምስ መሪሕነት እቲ ትካል ክዘራረቡ እንተፈተኑ’ኳ እቲ ኩነታት እናገደዶ እምበር ክንከይ ከምዘይከኣለ ገሊጹ። “ከም ዓብዪ ጸገም ኢለ ምስ አመረርሓ’ውን ዝተዘራረብኩሉ ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባን ድልየትን ይተሓላለፍ ምህላዉ እዩ። እዚ ማለት ከኣ ነቲ ሕዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ናይ ፌደራል ኣመራርሓ ዝድግፍ እምበር ካብኡ ዝተፈለየ ግን ዘየተኣናግድ ምዃኑ እዩ” ክብል ነቲ ጸገም ኣብሪሁ። ብፍላይ ምስ ባይቶ ትግራይ ብዝተሓሓዝ፡ ዘሕልፎም ውሳነታት ከይመሓላለፉ እንተተመሓላሊፎም ድማ ተሸራሪፎም ክመሓላለፉ ከምዝግብር’ዩ ኣይተ ሃይለማርያም ዝዛረብ። “ንኣብነት ኣብ ቀረባ መዓልታት ባይቶ ትግራይ ‘መረጻ ክካየድ ኣለዎ’ ብዝብል ዘሕለፎ ውሳነ፡ ምስ ናይ ፌደሬሽን ውሳነ ዝጻባእ ስለዝኾነ ከይተሕልፉ ተባሂልና ኢና” ብምባል ብኣንጻሩ ግን ኣብ ትግራይ ዝኾነ ነገር እንተተፈጢሩ ንዕኡ ኣጉሊህኻ ክወጽእ ከምዝግብር ብምንጽጻር ኣቐሚጡ። ነቲ ውሳነ ‘ዘይ-ሕጋዊ’ ስለዝኾነ ብዝብል ከየሕልፍዎ ከምዝተገበረ ዝዛረብ ሃይለማርያን፡ ነዚ ክብል ዝኽእል ኣካል እቲ ቦርድ እምበር እቲ ሚድያ ክኸውን ከምዘይክእልን ስልጣን ከምዘይብሉን ገሊጹ። ኣብቲ እዋን ሓሳቡ እንተሃበ’ኳ ዝሃቦ ርእይቶ ተዓፊኑ ከምዝተረፈ ይዛረብ። “ዘየለ ነገር’ውን ክመሓላለፍ’ዩ ዝግበር። ብኣንጻሩ ኣብ ካልኦት ከባብታት [ኢትዮጵያ] ዝፍጠሩ ጸገማት ከኣ ክሕብኡን ከይመሓላለፉ ይግበርን። ንኣብነት ሕዚ ኣብ ኦሮሚያ ዘሎ ረብሻን ሰልፍታትን ክመሓላለፍ ኣይድለን። ብተመሳሳሊ ኣብ ኣምሓራ’ውን ኣለዉ፤ ኣብ ክልቲኡ ክልላት ዝፍጸም ቅትለት’ውን ኣሎ ግን እዚ ክመሓላለፍ ኣይድለይን። ኣብ ትግራይ ግን ሓንቲ ነገር እንተተፈጢራ ብዝተጋነነ መልክዑ ክተሓላለፍ ይግበር” ኢሉ። ብፍላይ ኣብ ትግራይ መረጻ ከምዝካየድ ካብ ዝተወሰነሉ እዋን ንደሓር ግን “እከለ ኣምጺአኹም ኣዘራርቡ፤ እከለ ይቕረብ” ብዝብል ኣንጻር ህወሓት መርገጺ ዘለዎም ኣካላት ንክቕርቡ “ብትእዛዝ መልእኽ ከገድድዎም” ምስጀመሩ ነቲ መልቀቒ ደብዳበ ከእትው ምውሳኑ ይዛረብ ሃይለማርያም። “በዚ መልክዕ ክሰርሕ ሞያይን ሕልናይን ኣይፈቕደለይን ብዝብል ነቲ ደብዳበ ኣእትየ፤ ብ27 ግንቦት [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ንዘእተኽዎ ደብዳበ ግን ክሳብ እዛ ሰዓት መልሲ ኣይተውሃበንን” ኢሉ። እቲ ጸቕጢ ዝፈጥር ኣካል መን’ዩ? ሃይለማርያም ከምዝብሎ እቲ ኣብ ልዕሊ ሚድያታት ዝግብር ጸቕጥን ኢድ ኣእታውነትን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ’ኳ እንተኾነ ብፍላይ አብዚ ክልተ ዓመታት ግን ናብ “ዝኸፍአ” ደረጃ ተሰጋጊሩ’ሎ። “ካብ ሪፖርተርነት ክሳብ ሓላፍነት ን12 ዓመታት ኣብ ኢቢሲ ሰሪሐ እየ። ጽዕንቶታት ኣይነበረን ምባል ኣይከኣልን፤ ከምዚ ናይሎሚ ግን ዓይኒ ብዘፍጠጠን ብዝገደደን መልክዑ ኣይኮነን” ብምባል ብፍላይ ኣብ ክፍሊ ቋንቋ ትግርኛ ግን ኣብዚ ናይ ለውጢ መንግስቲ ከምዝተበኣኣሰ ሓቢሩ። “ኣነ’ውን ብተደጋጋሚ እናተጸዋዕኹ ‘በዚ መገዲ ክትኸዱ ኣለኩም’፤ ‘እዚኦም ክሓልፉ ኣለዎም እዚኦም የብሎምን’፤ የዘራርቡኒ ነይሮም። ሓሳበይ እናሃብኩ ነቲ ዝኣመንኩሉን ዝቕበሎን እቕበል ነይረ። ካብ ግዜ ናብ ግዜ ግን እናገደደ መጺኡ። ኣብ ክንዲ ብትልሚ ንሰርሕ ካብ ላዕሊ መደብ ይመጽኣና” ይብል ሃይለማርያ። እቲ መደባት ካብ ላዕሊ ዝወርድ ከምዝኾነ ብምግላጽ ብፍላይ ካብ ገዛኢ ፓርቲ ብፌስቡክ ከይተረፈ ዝጥቅዑ መልእኽትታት ዋላ ሓንቲ ከይተረፈት ክትመሓላለፍ ከምዝግብር ኣረዲኡ። “ካብ ኣካላት መንግስቲ ዝወሃብ መምርሒ እንተዘይ እህልው ነይሩ፤ ኩለን ሜድያታት ብፍላይ ዋልታ፣ ኢቢሲን ፋናን ተመሳሳሊ ዛዕባ አብ ተመሳሳሊ ዕለትን ሰዓትን ዝመሓላልፈሉ ኩነታት ኣይምተረኣየን” ብምባል እቲ ኣብ ትግራይ ሓያል ረብሻን ተቓውሞን ከምዝተልዓለ ኣምሲልካ ዝተመሓላለፈ ዜና ከምኡ’ውን ብዛዕባ እቲ ኣብ መቐለ ብፖሊስ ዝተቐተለ መንእሰይን ብኣብነት ጥቒሱ። ንሱ ከምዝበሎ እቲ ጽቕጢ ኣብ ካልኦት ክፍሊታት ማለት ቋንቋታት ኣምሓርኛን ኦሮሚኛን እውን እንተሃለወ’ኳ አይከምቲ ኣብ ክፍሊ ትግርኛ ዘሎ ኣይኮነን። “እቲ ጽዕንቶ ኣብ ኩሉ ዘሎ እዩ ግን ከኣ እንተተቐቢልካዮን ዝበሉኻ እንተሰሚዕኻን ምንም ማለት ኣይኮነን። ግን ኣሚኖምዎ ድዮም ዘይኣመኑሉ ይሰርሑሉ ኣለዉ። ዝተፈለየ ክትትል ዝግበረሉ ግን ክፍሊ ትግርኛ እዩ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ከኣ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሓይሊ ዝተፈለየ ሓሳብን ኣመለኻኽታን ስለዘሰጉም እዩ” ኢሉ። ናብ በዓልመዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያ ዘቕረብዎ ጥርዓን ከምዘየለ ብምዝኽኻር “ነቶም ቅድሚ ሕዚ ኣብ ሃገራዊ ሚድያታት እናተፈጸሙ ዝነበሩ ጌጋታት መአረምታ ክወስድ ዘይከኣለ በዓልመዚ ነቲ ንሕና ነቕርቦ ቅሬታ ክሰምዕ’ዩ ዝብል እምነት ስለዘይብልና ወግዓዊ ብዝኾነ መገዲ ኣየፍልጥናዮን” ክብል ሓቢሩ። “ብልጽግና ‘ኣባላት ኩኑ’ ዝብል ዕድመ ቕሪቡልና” ብግንቦት 21 – 2012 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ኣብ ኢቢሲ ቴሌቪዥንን ሬድዮን ክፍሊ ቋንቋ ትግርኛ ዝሰርሑ ኣባላት ኣመራርሓ ብልጽግና ትግራይ ዝኾነ ዶክተር ኣብርሃም በላይ ብሚንስትርነት ናብ ዝሰርሓሉ ቤት ዕዮ ተጸዊዖም ከይዶም ምንባሮም ሃይለማርያም ይዝክር። ምኽትል ዋና ዳይሬክተር ኢቢሲ ብዛዕባ እቲ ኣጀንዳ አኼባ ከይነገረ “ተጸዊዕኹም አለኹም” ብዝብል ጥራይ ናብ ሚንስትሪ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ከምዝኸዱን ሓደ ትእዛዝ ከምዝጸንሖምን ገሊጹ። “ብመሰረት ዘቕረበልና ጻውዒት ከይድና። ናብ ኣዳራሽ ንምእታው ስልክኹም ኣቐምጡ ኢሉና። ንሕና ድማ ‘ንስኻ ስለዝጸዋዕኻና ክትኣምነና እዩ ዝግባእ’ ኢልና ስልክና ንምሃብ ፍቓደኛታት ከምዘይኮንና ገሊጽናሉ” ይብል። ዶክተር ኣብርሃም በላይ ኣመራርሓ ፓርቲ ብልጽግና ትግራይ ምስ ዝኾነ ኣይተ ሃፍታይ ሞባይል ሒዞም ኣብ ዝኣትዉሉ ነቶም ዝዓደምዎም ጋዜጠኛታት ግን “ሞባይል ሒዝኩም ክትኣትዉ ኣይትኽእሉን” ምባሎም ንኹሎም ክቀሓጠሎም ከምዘይከኣለ ሃይለማርያም ተዛሪቡ። ጉዳይ ሞባይል ከረዳድኦም ብዘይምኽኣሉ ድማ ዝበዝሑ ነቲ ዝተጸውዐ ኣኼባ ረጊጾም ከምዝተመለሱ ብምሕባር “ዝተረፉ 3 ዝኾኑ ሰባት ግን ናብቲ ኣዳራሽ ኣትዮም እዮም። ትካልና እውን ክልእኸና ኣይምተገብኦም ንሕና ጋዜጠኛታ ስለዝኾንና ብፓርቲ ተዓዲምኩም ብዝብል ክልእኸና ኣይምነበሮን” ኢሉ። ሓደ ካብቶም ኣብኡ ተሪፎም ምስ ዶክተር ኣብርሃምን ኣይተ ሃፍታይን ዝተዘራረቡ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ኣባል ኢቢሲ “እወ እኹል ሓበሬታ ኣይነበረንን ግን ከኣ ዶክተር ኣብርሃም ጽዊዑኩም ኣሎ ስለዝተበሃልና ኣቐዲምና ዝበጻሕና ኣቲና ኢና። ሞባይልኩም ሒዝኩም ክትኣትው ኣይትኽእሉን ምስተበሃለ ግን ገሊኦም ገዲፎምዎ ከይዶም” ክብል ተዛሪቡ። ካብ ላዕለዎት ኣሰናደእቲ ጀሚሩ ልዕሊኡ ንዘለዉ መጸዋዕታ ከምዝቐረበሎም ብምሕባር “እቲ ዝተሓሰብ ብዝሒ ሰብ ክርከብ ብዘይምኽኣሉ እቲ ዝርርብ ብሰፊሑ እንተዘይቀጸለ’ኳ ‘ካብ ፌደራል ወይ ከኣ ብወገን ትግራይ ብፍላይ ካብ ህወሓት ዝበጽሓኩም በደል ኣሎ ድዩ? እንተሃልዩ ንገሩና ክንፈትሖ” ኢሎምና” ይብል እቲ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ምንጪና። ንሱ ከምዝበሎ፡ ነዚ ዝቐረበሎም ሕቶ፡ ካብ ትግራይ ዝበጽሖም ጸቕጢ ከምዘየለ እኳ ደኣስ ኣብቲ ዝሰርሑሉ ሚድያ ጸቕጺ ከምዝግበረሎም ነቶም መሪሕነት ብልጽግና ትግራይ መልሲ ሂቦም’ዮም። ብዘይካ’ዚ ንኣባልነት ፓርቲ ብልጽግና’ውን ዕድመ ከምዘቕረቡሎም ተዛሪቡ። “ ‘እንድሕር ድልየት ሃልይኩም ምሳና ኣባል ኮይንኩም ክትሰርሑ ትኽእሉ ኢኹም፤ ዝበጽሓኩም ጸገማት እንተሃልዩ ድማ ንሕና ንመንግስቲ ብምውካል ምሳኹም ኣለና’ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቦምልና። ሰለስተ ሰባት ጥራይ ስለዝነበርና ከኣ ብዙሕ ከይተዘራረብና በዚ ተፈላሊና” ኢሉ። ሓለፍቲ ኢቢሲን ካልኦት እንታይ ይብሉ ኣብዚ ዛዕባ መብርሂ ንምርካብ ናብ ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን ደዊልና ንምኽትል ዋና ፈጻሚ ስራሕ እቲ ትካል ኣይተ ዓብዱልጀሊል ሓሚድ ረኺብናዮ። “ቅዳሕ እቲ ደብዳበ ሪኤዮ እየ፤ እንተኾነ ናብ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ስለዝብል ናብኡ ስለዝተመርሐ ንዕኦ ሕተቶ” ዝብል መልሲ ሂቡና። ናብ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ኢቢሲ ብተደጋጋሚ ብስልኪ ዝገበርናዮ ስልኮም ከልዕሉ ብዘይምኽኣሎም ክሰምረልና ኣይከኣለን። ኣብ ዝረኸብናዮ ድማ ርእይቶኡ ክነቕርበልኩም ኢና። ብተወሳኺ፡ ካብ ብልጽግና መብርሂ ንምርካብ ፈቲንና ክሰልጠና ኣይከኣለን። ናብ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ብልጽግና ትግራይ ዶክተር ኣብርሃም በላይ፡ ብተደጋጋሚ ስልኪ እንተደወልናን ሓጺር መልእኽቲ ስልኪ እንተልኣኽናን ምላሽ ክንረክብ ኣይከአልና።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53064369"} {"headline":"ጋዜጠኛ ድምጺ ወያነ ትግራይ ፍቕሩ ወልዱ ብዝሓደሮ ሕማም ዓሪፉ","content":"ስርዓት ቀብሪ ነብስሄር ጋዜጠኛ ፍቕሩ ወልዱ ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መቐለ ዓዲ ሹምድሑን ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ማርያም ጽዮን ሰዓት 9 ይፍጸም ኣሎ። ጋዜጠኛ ድምጺ ወያነ ትግራይ ዝነበረ ፍቕሩ ወልዱ ብዝሓደሮ ናይ ደም ካንሰር ሕማም ከምዝዓረፈ በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ሰምሃር ስምዓኒ ንቢቢሲ ገሊፃ። እቲ ጋዜጠኛ፡ እቲ ሕማም ምስ በርትዖ ካብ ላዕለዋይ ሕክምና ዓይደር መቐለ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ንህፁፅ ሕክምና ተወሲዱ። ይኹን እምበር እቲ ጋዜጠኛ ትማሊ ኣማሲዩ ከምዝዓረፈ ተገሊጹ። ማሕበር ጋዜጠኛታት ትግራይ፣ ኣባላት ድምፂ ወያነ ትግራይ፣ መሓዙቱን ፈተውቱን፡ ኣስከሬን መንእሰይ ጋዜጠኛ ፍቕሩ ወልዱ ብኽብሪ ንምቕባል ኣብ ኣሸጎዳ ከምዝተረኽቡ ሪፖርተር ቢቢሲ ገሊጹልና። ፍቕሩ ወልዱ መን እዩ? ጋዜጠኛ ፍቕሩ ወልዱ ካብ ኣብኡ ኣይተ ወልዱ ኣፅብሃን ኣዲኡ ወይዘሮ እህታለም ደመናን 2 መስከረም 1979 ዓ.ም ኣብ ከተማ ወልድያ ተወሊዱ። ንኣስታት ክልተ ዓመት ኣብ ከተማ ወልድያ ምስ ፀንሐ ምስ ቤተሰቡ ናብ ከተማ መቐለ ብምምፃእ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሃፀይ ዮውሃንስ ካብ ቀዳማይ ክሳብ መበል ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ተማሂሩ። ኣብ 2000 ዓ.ም ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ፡ ብጋዜጠኝነትን ህዝባዊ ርክባትን ብቀዳማይ ዲግሪ ተመሪቑ። 2001 ዓ.ም ናብ ዓውዲ ስራሕ ጋዜጠኛኝነት ዝተፀንበረ ፍቕሩ ወልዱ፡ መጀመርታ ኣብ ጋዜጣ ወይን፣ ብምቕፃል ቴሌቭዥን ትግራይ፣ ድሓር ድማ ኣብ ሬድዮን ቴሌቭዥንን ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ብጠቕላላ ን8 ዓመታት ኣገልጊሉ። ድምጺ ወያነ ከምዘስፈሮ፡ ካብ ፋና ብሮድካስቲንግ ስራሕ ለቒቁ ናብ ድምፂ ወያነ ቴሌቭዥን ዝተጸንበረ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝሰርሑ ናይ ፀለመ ፕሮፖጋንዳታት ብምቅዋም ምዃኑ መደብር ዜና ድምጺ ወያነ ይገልጽ። ካብኡ ድማ፡ ብላዕለዋይ ኣሰናዳእነትን ድምፂ ወያነ ቴሌቭዥን ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ መተሓባበርን ጋዜጠኛን ኾይኑ እናሰርሐ ፀኒሑ እዩ። ብድሕሪ እውን ፌዴራል መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ድምፂ ወያነ ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ ብዝወሰዶ ናይ ምዕፃው ስጉምቲ፡ ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት ድምፂ ወያነ መቐለ ከይዱ ክሳብ ዕለተ ሕልፈቱ እናገልገለ ፀኒሑ። ጐንፅን ምምዝባልን ዞባ ጉጂ፣ መሰል ዓርሰ ምምሕዳር ህዝቢ ሲዳማን ዛዕባታት ግድብ ህዳሰን ናብቶም ከባብታት ተንቀሳቒሱ ከምዘቃለሐ ይዝከር። ድምጺ ወያነ ንጋዜጠኛ ፍቕሩ ወልዱ \"በሊሕ፣ ለባምን ትዕግስተኛን፤ ኣብ ኩሉ ዝተዋፈረሉ ዓውዲ ብልዑል ሞያዊ ብስለት ሰሪሑ ዘዐወተ ንፉዕ ጋዜጠኛ እዩ ነይሩ\" እንትብል ገሊጽዎ። ጋዜጠኛ ፍቕሩ ወልዱ፡ ወዲ 33 ዓመት እንትኸውን፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓደ ቆልዓን እዩ ነይሩ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/53943968"} {"headline":"ጋዜጠኛ ኣውሎ ሚድያ በቃሉ ኣላምረው ከምዝተኣሰረ ተገሊፁ","content":"ጋዜጠኛ ኣውሎ ሚድያ በቃሉ ኣላምረው ሎሚ ረቡዕ ንጉሆ፡ ምስ ካልኦት ሰራሕተኛታት ናብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዝኣትወሉ፡ ደምቢ ክዳን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ብዝተኸደኑ ኣባላት ፖሊስ ከምዝተወሰደ፡ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኣውሎ ሚድያ ንቢቢሲ ገሊፁ። ማኔጂንግ ዳይሬክተር እቲ ትካል ኣይተ ወልደጊዮርጊስ ገብረሂወት፡ ጋዜጠኛ በቃሉ ምስ ካልኦት መሳርሕቱ ኮይኑ፡ ካብ ገዛ ናብ ስራሕ እናተጉዓዘ እንከሎ፡ ሰለስተ ደምቢ ክዳን ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተኸደኑን፡ ካልእ ሲቪል ክዳን ዝለበሰን ኣባላት ጸጥታ፡ ነቲ ጋዜጠኛ ከምዝወሰድዎ ሓቢሩ። እቶም ኣካላት ፀጥታ፡ ንጋዜጠኛ በቃሉ ኣላምረው ካብ ምውሳድ ብተወሳኺ፡ ኣብ'ቲ ናይ ሚድያ ትካል ተፍትሽ ከምዘካየዱን፡ ንብረት እቲ ሚድያ “ብኢደወነኖም” ከምዝወሰዱን፡ ኣይተ ወልደጊዮርጊስ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ነዚ ክነረጋግጽ፡ ናብ ኮምሽን ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን። “ልዕሊ ሰለስተ ኮምፒዩተር፣ ብዙሕ ሃርድ ዲስክ፣ ፍላሽ፣ ናይ ሚድያ ሰነዳት፣ ሞባይልን ናይ ዋይፋይ ራውተርን ከይተረፈ ኣልዒሎም ወሲዶሞ” ዝበለ እቲ ሓላፊ፡ እቶም ናይ ፀጥታ ኣባላት ኣድራሽኦም ከይተዛረቡ፣ መለለይ መንነት ከየርኣዩን፡ ናይ ቤት-ፍርዲ ትእዛዝ እንከይሓዙን እዮም፡ ነዚ ተግባር ፈፂሞም ኢሉ። ኣይተ ወልደጊዮርጊስ፡ ድሕሪ'ዚ ፍጻመ ንሱን ካልኦት መሳርሕቱን ናብ ቤት ጽሕፈቶም ክኣትዉ ስግኣት ከምዝሓደሮም'ውን ገሊጹ። “ሕዚ ናብ ከባቢ ቤት ጽሕፈትና ክንከይድ ኣይንኽእልን፤ ኣብኡ ዝተወሰኑ ፖሊስ ከምዘለዉ እውን ሰሚዕና ኢና። ስለዚ ካብ ገዛን ካብ ስራሕ ቦታን ርሕቕ ኢልና ኢና፡ ነቲ ኩነታት ንከታተል ዘለና” ኢሉ። እቶም ኣካላት ጸጥታ “ንምንታይ ንጋዜጠኛ በቃሉ ኣላምረው ከምዝኣሰርዎን፡ ንምንታይ ነቲ ቤት ጽሕፈት ብዘይሕጋዊ መገዲ ከምዝፈተሽዎን” ዝሃብዎ መብርሂ ከምዘየለ ድማ ገሊፁ። ኣብ'ቲ እዋን ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣውሎ ሚድያ ንዝነበሩ ሰራሕተኛታት'ውን 'ኣንከላቢቶምዎም' ክብል ከሲሱ። እዚ ሃንደበታዊ ማእሰርቲ ናይ'ቲ ጋዜጠኛን ኣብ ልዕሊ እቲ ሚድያ ዝተኻየደ ተፍትሽን፡ ምስ ምንታይ ዝዛመድ ከምዝኾነ ዝተነገሮም ነገር ከምዘየለን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ትካል ዝቐረበ ቅረታ ኮነ ክሲ’ውን ከምዘይነበረን እቲ ሓላፊ ገሊፁ። “ኣብ ዕለታዊ ንሰርሖም ዜና ኮነ ምይይጣት እዚ ጌርኩም ተባሂሉ ዝተነገረና ነገር ኮነ ዝተውሃበና መጠንቀቕታ የለን” ኢሉ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54814664"} {"headline":"ኤርትራ፡ ዕጽዋ ጋዜጣታት ብሕትን ማእሰርቲ ኣዳለውተንን ድሕሪ 19 ዓመት","content":"ዓመተ 1996፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ብሓደ ኣገዳሲ ፍጻሜ ትዝከር። ኣብታ ዓመት እቲኣ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ሕጊ ፕረስ ኤርትራ ተኣወጀ። እቲ ኣዋጅ ትካላት-ጋዜጣ ክምስርቱ ንዝደለዩ ዜጋታት ዕድል ዝህብ ነበረ - ሬድዮን ተሌቪዥንን ግን ንመንግስቲ ጥራሕ ተሓዝአ። እቲ ኣዋጅ ቁጽሪ 90\/1996 ዝተሰምየ፡ ኣዋጅ ፕረስን ውጽኢት ፕረስን፡ ብትግርኛ ዓረብኛን ኢንግሊዝኛን እዩ ተሓቲሙ። እቲ ኣዋጅ ምስ ወጽአ ከኣ ብዙሓት ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኤርትራውያን ዝተፈላለያ ጋዜጣታት ከቑሙ ጀመሩ። ሰቲት፣ መስትያት፣ ጽጌናይ፣ ቀስተ ደበና ዝበሃላ ጋዜጣታት ካብ ተኣፋፊ ዉሽጣዊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ብምርሓቕ፡ ኣብ ማሕበራዊ ፍትሒ፣ ኣካባብያዊ ጕዳያት ዜናታት ወጻኢ መሃርቲ ዓምድታት ርእይቶታት ህዝቢ ዘተኰሩ ጽሑፋት ትሕዝቶታት ሒዘን ክወጽኣ ምስ ጀመራ፡ ህዝቢ ኣማራጺታት ክረክብን ብኡ መጠን ናይ ምንባብን ምብህሃልን ባህሊ ክበራበር ጀመረ። እቲ ናይ ተስፋ ዓመታት ኣብ ፈለማ ዓመታት ናጽነት፡ ህዝቢ በብዝኽእሎ ሃገሩ ንምህናጽ እጃሙ ፋሕጠርጠር ይብልን መንግስቲ ከኣ ንቍጠባ ሃገር ከበራብር ናይ ንግዲ ፍቓድ ይዕድል ነበረ። እንተኾነ ዋላ'ኳ ፍቓድ ንግድ ይተዓደል እቲ ስርሓት ብክቱር ቢሮክራሲ ከምቲ ዝድለ ኣይጀማመረን። ህዝቢ ከኣ 'ደሓን ሕጂ'ዮም ካብ በረኻ ኣትዮም፤ ቁሩብ ዕድል ንሃቦም' ብማለት ንኹሉ ጸገማት ብዓቕሊ ይጽበ ነበረ። ጋዜጣታት መንግስቲ ከኣ ናይ መንግስቲ ስለዝኾና ነቲ ጉዳይ ከልዕልኦ ኣይደፈራን። ብዙሓት ዜጋታት ካብ ወጻኢ ንሃገር ተመሊሶም ብዓቕሞም ክሰርሑ - ኣብ ምምሃር ኰነ ካልኦት ሞያታት ክሳተፉ፣ ትካላት ከቋቝሙ፣ ንመንበሪኦም ኣባይቲ ክሰርሑ ... ብልዑል ሃንቀውታ ናብታ ሓዳስ ናጻ ሃገሮም ይመላለሱ ነበሩ። እንተኾነ ብዙሓት ብሰናይ ድሌት ዝፈታተኑ ከምቲ ዝሓሰቡዎ ኣይኰነሎምን። ንሓንሳብ ጉዳይ 'ርእሰ ምርኰሳ' እናተላዕለ፡ ካልእ ሳዕ 'መንግስቲ እኹል መጽናዕቲ የካይድ ኣሎ' ብማለት ኩነታት ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣይሰጎመን። ሽዑ'ውን ሚድያታት መንግስቲ ነዚ ርኡይ ጸገማት ህዝቢ ኣይተዛረባሉን። ኣብ ድሮ ጽምብል ረፈረንዱም፡ ንዝቕጽል ክልተ ዓመታት ብዘይ ደሞዝ ከገልግሉ ዝተሓተቱ ተጋደልቲ፡ 'ስድራና ኣብ ሕማቕ ኩነታት ጸኒሖምና፡ ንሕና እውን ጸገማት ስለዘሎና ኣይንኽእልን ኢና' ብዝብል ስምዒት ንህዝብን ዓለምን ዘሰምበደ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካየዱ። መንግስቲ ወጻኢታቱ ንምንካይን ውሑድን ኣድማዕን ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ክሕዝ ብምድላዩ ካብ ብዙሓት ምኒስትሪታት ሰባት ኣጣየሰ። ሽዑ ኣቐዲመን ክሕተማ ካብ ዝጸንሓ ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝመሓደራ ካብ ዝነበራ ጋዜጣታት (ጋዜጣ ሓቅን ህይወትን) 'እቶም ዝጸንጸልክዎም ከይጥጥዑ ደኣ' ብምባል፡ 'ስድራ እቶም ካብ ስራሕ ዝተሰናበቱኸ እንታይ ይኹኑ?\" ዝብል ምጉት ስለዘቕረበት ነዊሕ ከይጸንሐትን ካብ ሕትመት ተኣገደት። ብድሕሪኡ መንግስቲ ነቶም ኣብ ምልዕዓል ኣድማ 20 ግንቦት ተራ ነይሩዎም ዝበሎም ሰባት ኣሲሩዎም። ኣብ 1994፡ ስንኩላን ኩናት ማይ-ሓባር ዘልዓልዎ ሕቶ መሰል እውን ብሓይሊ ብረት ተዶቕሰ። ሽዑ እውን ሚድያታት መንግስቲ ኣይተዛረባን። ፕሪዘደንት ኢሳይያስ ግን ኣብቲ ኣብ ነብሲ ወከፍ መስከረም ምስ ህዝቢ ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ሕቶን መልስን ኣጋጣሚ፡ እቲ ፍጻሜ ዘሕዝን ክስተት ምንባሩ፡ እንተኾነ እቲ ስንኩላን ዝተኸተሉዎ ኣገባብ እውን ቅኑዕ ዘይምንባሩ ገሊጹ። ድሕሪ ኣዋጅ ፕረስ 1996 ጋዜጣታት ብሕቲ ምስ ጀመራ ግን ካብቲ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ጋዜጣ መንግስቲ ዝወጽእ ዝነበረ ፍልይ ዝበለ ጽሑፍን ዛዕባን ከውጽኣ ስለ ዝጀመራ ህዝቢ ከስተንፍስ ዕድል ረኸበ። እንተኾነ ነዊሕ ከይጸንሐ ኩናት ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ስለዝጀመረ እቲ ናይ ምብህሃልን ሓሳባት ናይ ምልውዋጥን ዕድላት ዘሓለ። እተን ጋዜጣታት ግን ዓቕመን ብዘፍቅዶ ሓበሬታ ይዝርግሓ ምንባረን ናብቲ እዋን ብዝኽሪ ዝምለስ ተስፍኣለም ኣብርሃ ይዛረብ። ሕጊ ፕረስ ኤርትራ እንታይ እዩ ዝብል? እቲ ኣብ 1996 ዝወጽአ ሕጊ ፕረስ፡ \"ናጽነት፣ ዕላማታትን ዕማማትን ፕረስ\" ኣብ ብዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ዝወጽአ ካልኣይ ክፋል ከኣ፡ ናጽነት ፕረስ ብመሰረት እዚ ኣዋጅ ውሑስ ከምዝኸውን፤ ብዘይካ ብድንጋጌታት እዚ ኣዋጅ'ዚ ወይ ብናይ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ፍቓድ ንጋዜጣታትን ውጽኢት ፕረስን ብምምሕዳራዊ መንገዲ ኣቐዲምካ ምምርማር ምእጋድ ወይ ምውጋድ ክልኩል ምዃኑ ይጠቅስ። እንተኾነ፡ ኣብ ፍሉይ ኩነታት ማለት ኣብ ሃገር ወይ ገለ ክፋሉ ከም ሳዕቤን ናይ ኩናት፡ ዕጡቕ ኣብያ ወይ ናዕቢ፡ ስነ - ስርዓትን ድሕነትን ሓፈሻዊ ሰላምን ዘስግእ ኩነታት ሓደጋ፡ ወይ ድማ ባህሪያዊ ሓደጋ ምስ ኣዘጋጥም፡ መንግስቲ ንኹሉ ዓይነት ሕታማትን መራኸቢ ብዙሃን፡ ግዝያዊ ኣቐዲምካ ናይ ምምርማር ስጉምቲ ብኣዋጅ ክወስድ ከም ዝኽእል፡ ነቲ ኣዋጅ ዘገድዶ ኩነታት ምስ ዝእለ ከኣ መንግስቲ ነቲ ኣዋጅ ብኻልእ ኣዋጅ ከም ዘልዕሎ ይገለጽ። ንመሰላትን ግቡኣትን ጋዜጠኛ ኣብ ዝገልጽ ሳልሳይ ክፍሊ ከኣ፡- ጋዜጠኛ ካብ ዝኾነ ወግዓውን ዘይወግዓውን ምንጪ፡ ዜናን ሓበሬታን ናይ ምርካብን ቅኑዕነቱ ድሕሪ ምርግጋጽ ድማ ናይ ምዝርጋሕን፡ መሰል ኣለዎ። ብተወሳኺ፡ ጋዜጠኛ ኣብ ስርሑ ብዘይካ ብሕጊ፡ ንዝህቦ ርእይቶን ዝዝርግሖ ቅኑዕ ሓበሬታን፡ ከም ምኽንያት ተወሲዱ፡ ብዝኾነ ወገን ወይ ብዓል ስልጣን፡ ድሕነቱ ክትንከፍን ንጸቕጢ ክቃላዕን ከም ዘይፍቀድ፤ ጋዜጠኛ ብዘይካ ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ምስጢራዊነት ምንጪ ሓበሬታኡ ክዕቅብ፤ ከምኡ'ውን ጋዜጣዊ ፍረኡ ካብ ስርቂ ክውሕስን መሰል ከም ዘለዎ፤ ብመሰረት እዚ ኣዋጅ'ዚ ኣብ መዝገብ ጋዜጠኛታት ሚኒስትሪ ዝተመዝገቡ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ማሕበር ጋዜጠኛታት ከቑሙ መሰል ከም ዘለዎም ይሕብር። ኣብቲ ንግቡእ ጋዜጠኛ ዝምልከት ከኣ፡ ጋዜጠኛ፡ ኣብ ስርሑ፡ ብግዝኣተ ሕጊ፡ ብሞያዊ ስነ ምግባርን ብሕልንኡን ከምዝቕየድ፡ ኣብ ዝጽሕፎን ዝዝርግሖን ዘበለ፡ ብኹሉ ሕግታት ኤርትራ ከም ዝቕየድ፤ ምስ ህዝባዊ ረብሓ ዝዛመድ ጉዳያት ኣብ ዘልዕለሉ፡ ናይ ስድራ ቤታትን፡ ውልቀ ሰባትን፡ ፍሉይ ብሕታዊ ህይወትን ክብርን ዝናን ከኽብር ከም ዝግበኦ ይገልጽ። ከምኡ ድማ፤ ጋዜጠኛ ቅኑዕነቱ ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ ምዝርጋሕ ኮነ ቅኑዕ ሓበሬታ ምዝንባዕ ከምዘይፍቀደሉ፤ ዘይሕጋዊ ውልቃዊ ዕላማን ጥቕምን፡ ንገዛእ ርእሱ ይኹን ንኻልእ ንፍሉይ ረብሓ ወይ ገንዘብ ሞያኡ ተጠቒሙ፡ ንውልቀ ሰባትን ሕጋዊ ሰብነት ዘለዎም ክህድድን ከፈራርሕን ከምዘይፍቀድ ይዝርዝር። እቲ ኣብቲ ኣዋጅ ዝሰፈረ ግቡእን መሰልን ተመጣጢ ብምዃኑ፡ መብዝሕትኦም ኣሰናዳእትን ጋዜጠኛታትን ብባዕላዊ-ሳንሱር ይጽሕፉ ምንባሮም ገለ ካብቶም ሕጂ ኣብ ስደት ዝርከቡ ይዛረቡ። ተዘክሮ ኣሰናዳእቲ መስራትን ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ሰቲት ነበር ሕጂ ኣብ ሃገረ ካናዳ ዝነብር ኣሮን ብርሃነ ኣብ ዝገበሮ ሓደ ቃለ-መሓትት፡ ጋዜጣታት ብሕቲ ርእይቶን ሓሳባትን ኣባላት ጉጅለ 15 ክጽሕፋ ምስ ጀመራ ቀጻሊ ምክትታልን ምፍርራሕን ከም ዝነበረ የዘንቱ። ንሱ ንባዕሉ ምፍርራሕ ከም ዜጓነፎ እውን ይምስክር። እተን ካብ 1997 - 2001 ዝተፈጥራ፡ ሸውዓተ-ሾሞንተ ዝኾና ሓደስቲ ጋዜጣታት ብድሕሪ ዉግእ ባድመ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ይኹን ካልኦት መሓውር ሚድያ መንግስቲ ንዘይሽፍንኦ ነገራት የቕርባን ይምክታን ምንባረን ኣሮን ይዛረብ። ብዓይኒ መሸጣ'ውን እንተኾነ ህዝቢ ኣስመራ ይኹን ካልኦት ከተማታት ነተን ጋዜጣታት ሻማ-ሻማ ክብለን ከምዝጀመረ ይዝክር። ሰባት ዓይኒ ኣንቊሖም፡ ኣብ ከም ኣካራይን ተኻራይን፡ ሕጽረት ገዛ-ክራይ፡ ፖሊሲ መንግስትን ብዝምልከት ዛዕባታት ክዋስኡን ነቐፌታዊ ኣረኣእያ ክምዕብልን ጀመረ። በዓል ማቴዎስ ሃብትኣብ 'መቓልሕ' ኣበገሱ፣ ስዒድ ዓብደልቃድር ን 'ኣድማስ' ኣበገሰ፣ ኣማኒኤል ኣስራት ን'ዘመን' ኣበገሰ፣ በዓል ዩሱፍ መሓመድ ዓሊ ድማ 'ጽጌናይ' ...ወዘተ። ኣንበብቲ ኣማራጺ ንባባት ረኸቡ፡ እተን ሓደስቲ ጋዜጣታት ድማ ንጽምኢ ኣንበብቲ ከርውያ ጀመራ። እቲ ሽዑ ዝተፈጥረ ሓዲስ ባይታ፡ እቲ ሚድያ መንግስቲ ከቕርቦ ዘይከኣለ ሓበሬታ በዘን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ክቐርብ ከኣለ። እንተኾነ ርእይቶን ሓሳባትን ጉጅለ-15 ከቕርባ ምስ ጀመራ፡ ካብ ሕጊ ወጸኢ ስለ ዝሰርሓ ብዚብል ክሲ ተዓጽዋ፤ ኣሰናዳእተንን ጋዜጠኛታተንን ከኣ ድሕሪ ቁሩብ ተሃዲኖም ተኣስሩ። ኣዋጅ ሰሉስ 18 መስከረም ኣብታ መዓልቲ'ቲኣ ክልተ ዓበይቲ ፍጻሜታት ተኸሲቶም ክነሶም ሚድያ መንግስቲ ብሃንደበት ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ምዕጻው ጠቒሱ ነታ ማንታ ፍጻሜ ነታ ማእሰርቲ ብጉጅለ-15 ዝፍለጡን ሰዓብቶምን ጋዜጠኛታትን ግን ኣይተዛረባሉን። እታ መዓልቲ'ቲኣ እቶም ሓለፍቲ መንግስቲ ዝነበሩ፡ ለውጢ ዝጠለቡ ሰበስልጣናትን ደቂ ፕረስን ዝተኣስሩሉ መዓልቲ ነበረት። መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ጋዜጠኛታት ካብ ናይ ወጻኢ ትካላት ገንዘብ ተቐቢሎም ክብሉዎም እንከለው ነቶም ሰበስልጣናት ከኣ ብተንበርካኽነት ይኸሱዎም። ብድሕሪኡ ጐስጐስቲ ሰብኣዊ መሰላት ጆሽዋ፣ ዳዊት ኢሳቕ፣ ዳዊት ሃብተሚካኤል፣ ዩሱፍ መሓመድ ዓሊ፣ ማቴዎስ ሃብተኣብ፣ ስዒድ ዓብደልቃድር፣ መድሃኔ ሃይለ፣ ኣማኒኤል ኣስራት፣ ተመስገን ገብረየሱስ፣ ኢድሪስ ኣቡዓረ፣ ተስፋይ ጎመራ ኣበይ ኣለው እናበሉ፡ ቅድሚኦምን ድሕሪኦምን ንዝተኣስሩ ጸሓፍትን ጋዜጣኛታትን ዓመተ-ዓመት ይዝክሩዎምን ይጽሕፉሎምን ኣለው።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/54162664"} {"headline":"ዓፈና' መራኸብቲ ሓፋሽን ጋዜጠኛታትን ትግራይ ክሳብ መዓስ?","content":"ጋዜጠኛ ተወልደ ገብሩ፡ ኩነታት ናጽነት ሚዲያ ትግራይ እዚ እዋን፡ ኣዐርዩ ካብ ዘስግኦም ጋዜጠኛታት እዩ። ዝኾነ ይኹን ጋዜጠኛ እቲ ክልል ርእሱ ኣድኒኑ ዝሰርሕ፡ ንመሰሉ ዘይሕለቕን ካብ ዝተፈላለዩ ጎናዊ ጸቕጢታት ዘይተናገፈን ምዃኑ'ዩ ዝኣምን። \"ንእሽተይ ጸገም ህዝቢ ክንሰርሕ እንተይልና፡ እናተደወለ ዝበጽሐና ምፍርራሕ ማእለያ የብሉን። ድሕሪ ሕዚ ግን፡ ሕሊናይ ዘይኣመነሉ ስራሕ ካብ ዝሰርሕ ዋላ ጫማ ጸሪገ ንብላዕ ኢለ'የ። ቋሕ ኢለን ዝርእያ ኣዒንቲ'ኮ ጾመን ኣይሓድራን\" ይብል። እዚ ጋዜጠኛ ቴሌቪዥን ድምጺ ወያነ፡ ነዚ ኹሉ ሞራላዊ ክሳራ ዘሳጠሖ ሓደ ነገር፡ ፈነወ እቲ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ዙርያ ኣብቲ ክልል ዘለው ክልተ ዓበይቲ ሆስፒታላት ዝሰርሖ ሰነዳዊ ምድላው፡ ከምቲ ዝተሓሰቦ ግዘን ኣገባብን ዘይምኻዱን፡ ምድላው \"ተዓፊኑ\" ኢሉ ብምዝራቡን እዩ። እቲ ኣብ ሸራሮ ንዝርከብ ሆስፒታል ማያሚ ዝጠመተ ምድላው፡ ብመሰረት እቲ ጣቢያ ቴሌቪዥን ዝሓዘሉ ግዘ ክፍኖ እንከሎ፡ እቲ 'ሰንፈላል ሆስፒታል ዓድዋ' ዝብል ርእሲ ዝተዋህቦ ቀጻሊ ትሕዝቶ ግን፡ ኣብ ካልኣይ ክፋል ከም ዝቐርብ ተገሊጹ፤ መወዓውዒ'ውን ተሰሪሕሉ። ድሕሪ'ዚ፡ ዳርጋ ንክልተ ወርሒ ኣብዚ ኣተወ ከይተባህለ ከይተመሓላለፈ ይተርፍ። ኣብቲ ንሆስፒታል ዓድዋ ዝጥምት ትሕዝቶ፡ ምስ ጥቕማ ጥቕሚ ብዝተኣሳሰር ክልተ ዶኳትር ካብ መዓልታዊ ስረሖም ብምብኳሮም፡ ኣብ ሓደ ለይቲ ዘጋጠመ ሞት ሽድሽተ ህፃናትን ካልአት ጸገማትን እቲ ሆስፒታል ዘቃልዕ ነይሩ። ጋዜጠኛ ተወልደ፡ መተሓባበሪ ክፍሊ መዋልዳን እቲ ሆስፒታል፡ ሞት እዞም ሽዱሽተ ህጻናት ተኣሚኑ፤ ቦርድ ናይቲ ሆስፒታል ብወገኑ ነቶም ዶካትር ቀጺዕዎም'ዩ ይብል። \"ርእይቶ ናይቶም ዘብኮሩ ይካተት ስለ ዝተብሃለ፡ ንክልቲኦም መብርሂ ክህቡኒ ሓቲተ፤ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። እቲ ዝሃቡኒ መልሲ ከኣ ስሞም እንከየቃላዕና ኣብቲ መደብ ኣካቲትናዮ። ግን ኣይተፈነወን - እቲ ዝኸልከለ ኣካል መን ከም ዝኾነ ክሳብ ሕዚ ሕቶ ኣለኒ። ድምፂ ወያነ ከምዘይዓፈኖ ግና ርግፀኛ እየ\" ይብል ተወልደ። በዚ ምኽንያት፡ እቲ ዝተሰርሐ መደብ ናበይ ኣተወ? ዝብሉ ጎስጓሳት በርቲዖም። ጋዜጠኛ ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ሕሉፍ ካሕሳይ ብወገኑ፡ ጋዜጠኛ ልሳን ህዝቢ፣ ጁባ ህዝቢ ኮይኑ ከገልግል ትፅቢት ዝግበር'ኳ እንተኾነ ጋዜጠኛታት ናብ ህዝቢ ቀሪቦም ሕቶ ህዝቢ ማእኸል ገይሮም፣ ንዝምልከቶም ኣካላት ወጢሮም ሓቲቶም፡ ናይ ህዝቢ ሕቶ ኣብ ጫፍ ከብፅሑ ዝገብር ባይታ ግን የለን ይብል። \"መብዛሕትኡ ግዘ ጋዜጠኛታት ዳርጋ መንግስቲ እንታይ በለ'ዮም ዝብሉ። ጋዜጠኛታት፡ ኣብ ፍፃመ ጥራሕ ክሽከሉ ብምግባር፡ ነቐፍቲ ምድላዋት ከይሓስቡ፡ ኣንዊሕካ ምእሳር ኣሎ። ኣብ መንግስትን ውድብን ናይ ምትሕውዋስ ባህርያት ስለ ዘሎ፡ እቶም ሓለፍቲ ሚዲያ'ውን ንላዕሊ ዘሎ ኣካል'ዮም ዝፈርሑ\" ብምባል ነቲ ጸገም የብርህ። \"ስልታዊ ምመያ\" ኣብ 1987 ዓ.ም ኣብ ዝፀደቐ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓንቀፅ 29፡ ምመያ (ሰንሰርሽፕ) ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ክልኩል ምዃኑ ኣቐሚጡ'ዩ። በዚ መሰረት፡ መራኸብቲ ሓፋሽ ናይ ስራሕ ነፃነተን ተሓልዩ፡ ዝተፈላለዩ ርኢቶታትን ሓሳባትን ብነጻነት ከተኣናግዳ፤ ናይ ሕጊ ሓለዋ ክግበረለን፣ ብገንዘብ መንግስቲ ወይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር መንግስቲ ዝርከባ መራኸብቲ ሓፋሽ ድማ ንኹሉ ሓሳባትን ርእይቶን ከአንግዳ ዝብል ይርከቦ። እንተኾነ፡ ሕዚ'ውን ጋዜጠኛታትን መራኸብቲ ሓፋሽን እታ ሃገር፡ \"ስልታዊ ምመያን ግሁድ ዓፈናን\" የጋጥሞም ኣሎ። ንኣብነት፡ ጋዜጣን መፅሄትን ወጋሕታ፣ ኖላዊት፣ ስኒት፣ መሓል፣ ዛየን፣ ህዝባዊት፣ ኣደዳ፣ ባሎኒ፣ሪሓን፣ ደሃይ፣ ሕድያት፣ ጥሕሎን ሰርጌንን ካብተን ድምፂ ህዝቢ ከስምዓ ተጣይሸን ቀልጢፈን ዝለመሳ እየን። ጋዜጠኛ ዮናስ በላይ፡ ኣሰናዳኢ ናይታ ቅድሚ 15 ዓመታት ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ጉዳያት ኣድሂባ፡ ኣብ ሰለስተ ወርሒ ሓደ ግዘ፡ ትሕተም ዝነበረት መፅሄት ጥሕሎ ነይሩ። መንግስቲ ብገበን ግብረ-ራዕዲ ስለ ዝኸሰሶ ግን ድሕሪ 15 ሕታማት ነታ መፅሄት ጠጠው ከብላ ከም ዝተገደደ ይገልፅ። ''ኣብ ኣዲስ ዘመን፡ 'የበግ ለምድ የለበሱ ተኩላዎች' ብዝብል ኣርእስቲ ምስ ደበበ እሸቱን እስክንድር ነጋን፡ ከም ሳልሳይ ኣሸባሪ ሽመይ ምስ ተጠቕሰ፡ ኣብ ክልል ምምሕዳር ዝነበሩ ኣዕሩኽተይ ክሲ ክምስረተለይ፡ ሰነድ ይተኣኻኸብ ከም ዘሎን ምስ ሓበሩኒ ጠጠው ከብል ተገዲደ'' ይብል። ብድሕሪኡ፡ ከም ጋዜጠኛ ቋንቋ ትግርኛ ናይ ምስራሕ ድልየቱ ከም ዝተኾለፈ ይገልጽ። ካብዚ ብዝብገስ፡ እተን ሚዲያታት ኣገልገልቲ እቲ ስልጣን ዝተቖጻጸረ መንግስትን ውድብን ኮይነን ፀኒሐንን፤ ኣለዋን። ፖለቲካዊ ባህልን ኣመራርሓን ትግራይ'ውን፡ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝተፈለየ ሓሳብ ከተኣናግዳ ዝፃወር እንግድዓ ኣይነበሮን፡ ኣይለመዶን'ውን። መራኸብቲ ሓፋሽ እቲ ክልል ዋላ'ኳ ነናይ ባዕለን ኢዲቶርያል ፖሊሲ እንተሃለወን፡ ብስም ልምዓታዊ ጋዜጠኝነትን ኮነ ተባሂሉ ኣብ ብሉፅ ተሞክሮ ጥራሕ ከድህቡን፡ ነቲ ገዛኢ ውድብ ክድግፉን ከም ዝግበር፡ ተዓዘብቲ ይገልጹ። \"እቲ ጋዜጠኛ ባዕሉ ሓሳብ ኣምፂኡ ክሰርሕ እናተገብኦ፡ ናብ ቢሮታት'ዩ ዝለኣኽ። ንሶም ብዝደልይዎ፡ ንባዕሎም ኣብ ስልጣኖም ዘፅንሕ ፅቡቕ ተሞክሮ ክኸውን ዝብልዎ ድማ ይሰራሕ ይብሉኻ፡ ትሰርሕ\" ዝብል ጋዜጠኛ ተወልደ፡ እዚ እቲ ጋዜጠኛ ብዓቕሚ ክመውት'ዩ ዝገብሮ ይብል። ካብ ተሞኩርኡ ብዝብገስ፡ ጋዜጠኛታት ጥንክር ዝበሉ መደባት እንትሕዙ፡ ምንጪ እቲ ፀገም ምስ ሰብመዚ ስለ ዝተሓሓዝ እዚ ንዘይምቅላዕ፡ እቲ መደብ ንዝጀመረ ብምእላይ፡ ኣብ ሞንጎ ብካልእ ዝለሳለስ ጋዜጠኛ ክትካእ ከም ዝግበር ይዛረብ። እቲ ንሱ ዘዳለዎን ከይተመሓላለፈ ተሪፉ ዝነበረን መደብ'ውን፡ ብጎስጓስ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ'ኳ እንተተፈነወ፡ ዝምልከቶ ኣካል ግን ብካልእ ጋዜጠኛ ክሕተት ከም ዝተገበረ ብምሕባር፡ እዚ ንሞራሉ ዝተንከፈ ኣጋጣሚ ኮይኑ ከም ዝሓለፈ ንቢቢሲ ገሊፁ። ጋዜጠኛ ሕሉፍ ድማ፡ እቲ መሰረታዊ ፀገም፡ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ዝወሃብ ክብሪ ትሑት ብምዃኑን ጋዜጠኛ ብመንግስቲ ዝወረደ ኣንፈት ጥራሕ ስለ ዝሰርሕን እዩ ብምባል፡ በዚ ምኽንያት፡ ሚዲያ ናይ ርክብ ህዝቢ ስራሕቲ ክሰርሕ ብምግዳድ፡ እቲ ሚዲያ ናብ ጸቕጢ ክኣቱ ይገብሮ ምህላው ይገልጽ። \"ሚድያ፡ ሓቅታት እዩ ዝፍሕር፤ እቲ ሚዲያ፡ ዘለው ጸገማትን ጽቡቓት ጎኒ እንድሕር ዘየለሊ ኮይኑ፡ ሃለዋቱ ዋጋ የብሉን። ጋዜጠኛታት'ውን ክንድዚ ዓመት ኣብ ጋዜጠኝነት ኣገልጊለ ካብ ምባል ብዝዘለለ፡ ህዝባዊ ጋዜጠኛ ኮይኖም ክነብሩ ኣይኽእሉን\" ኢሉ። ምሁር ጋዜጠኝነትን ኮምዩኒኬሽንን ዩኒቨርሲቲ መቐለ መብራህተን ገብረማርያም፡ ምመያ (ሰንሰርሽፕ) ዋላ'ኳ ብወግዒ ተሪፉ እዩ እንተተብሃለ፡ ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽ እቲ ክልል ግን ጥበብን ብልሓትን ዝተሓወሶ ስልታዊ ምመያ ከም ዘሎ የብርህ። \"እተን ሚድያታት፡ ብዝኾነ ተኣምር ነጻነት ንክህልወን ዘፍቅድ ጥጡሕ ባይታ የብለንን። ንባዕለን'ውን ኣብ ከቢድ ስቓይ ከም ዘለዋ ስራሕ ኣካየድቲ ባዕሎም ዝዛረብዎ እዩ\" ይብል። ጋዜጠኛታት ኣባል ሓደ ውድብ ናይ ምዃን መሰል ዋላ'ኳ እንተሃለዎም፡ ኣብ መንግስታዊ መራኸቢ ሓፋሽ እቲ ክልል ዝሰርሑ ግን፡ ኣባል እቲ ገዛኢ ውድብ ንክኾኑ ጸቕጢ ከም ዝሓድሮም ይገልጹ። እዚ ድማ ጋዜጠኛታት ኣብ ዕለታዊ ስርሖም ካብቲ ናይቲ ውድብ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ንከይወፅኡ ዝገብር እንትኸውን፡ ሓንሳብ ኣባል ዝኾኑ ጋዜጠኛታት'ውን ካብ ኣባልነቶም ከይወፅኡ ከምዝቕየዱ ስሞም ክፅራሕ ዘይደልዩ ጋዜጠኛታት ይዛረቡ። በዚ ምኽንያት፡ ዝተፈለየ ሓሳብ ንዘለዎም ውልቀሰባትን ፖለቲካዊ ውዳበታትን ኣብ ክንዲ ሓሳቦም ዘካፍልሉ መድረኽ ምፍጣር፡ ክቆናጸቡን ክጽለሙን ዝገብሩ ሓሳባት ከሰጉሙ ይስትውዓል። መራኸብቲ ሓፋሽ እቲ ክልል፡ ተጸዋዕነተን ንባይቶ ትግራይ ኮይኑ፡ ካብ መዓልታዊ ፖለቲካዊ ሃልኪ ወጺአን ሽኻለን ህዝቢ ገይረን ክሰርሓ ትጽቢት ይግበር። እንተኾነ፡ ጸገማት ህዝቢ ዘቃልዑ ምድላዋትን ዜናታትን እንትፈርዩ ከይመሓላለፉ ክሕነቑ ከለው፡ ናጽነት ሚዲያን ጋዜጠኝነትን ድኣ ኣበይ ኣሎ? ዝብል ሕቶ ነናሻዕ ይለዓል። ጋዜጠኛታትን መራኸብቲ ሓፋሽን ቀይዱ ዝሓዘ ኣካል መን እዩ? ዝብል ንብዙሓት ግሁድ ስለ ዘይኮነ፡ ንመብዛሕትኡ በዓል ሞያ፡ 'ካብ ላዕሊ ዝመፅአ ትእዛዝ' ካብ ዝብል ወፃኢ፡ ብመን ዝብል ሕንቅል ሕንቅሊተይ እዩ። ኣካያዲ ስራሕ ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ዝነበረ ኣይተ ብርሃኑ ኣባዲ ግን፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ሕጊ ዘየለ ብ'ሚድያ ኮሚቴ' ዝበሃል ከም ዝዝወር ይገልጽ። ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብቲ ትካል 'ዝድለ ለውጢ ኣየምፃእካን' ብዝብል፡ ብሓላፊ ቤት-ፅሕፈት ህወሓት ዝተኣለየ ኣይተ ብርሃኑ ኣባዲ፡ ኣካያዲ ስራሕ ኣብ ዝነበረሉ ግዘ፡ 'ሚዲያ ኮሚቴ' ተባሂሉ ንዝጽዋዕ፡ ስራሕቲ እተን ሚዲያታት ዝቆጻጸር ኣካል ናይ ምፍላጥ ዕድል ነይሩዎ። \"እዚ ሚድያ ኮሚቴ፡ ናይ ህዝቢ ድምፂ ንክዕፈንን እቲ ሚዲያ ናይ ውሑዳት ድሌት ጥራሕ ብዝሕሉ ኣገባብ ንክምራሕን ብቆረፃ ተመስሪቱ። ነዚ ኣእቱ፤ ነዚ ኣውፅእ እናበለ፡ ድማ ኣብ ዕለታዊ ስራሕቲ ሚድያ እንከይተረፈ ኢዱ የእቱ\" ክብል ይኸሶ። መምህር መብራህተን ብወገኑ፡ እተን ትካላት ዝምርሓሉ ኢዲቶርያል ፖሊሲ ኣቐሚጥካ ክተብቅዕ፡ ብጎኒ ምእኹል ዝኾነ ሚድያ ኮሚቴ ኢልካ ማዕገትቲ ምቕማጥ፡ ናይ ሓሳብ ብዝሃነት ንከይህሉን እቲ ናይ ምመያ 'ሰንሰርሽፕ' ስራሕቲ ንምስራሕን እዩ ይብሎ። \"እቲ ጋዜጠኛ ዘይሻራዊ ኮይኑ ከይኸይድን እቲ ኣካያዲ ስራሕ'ውን ብነፃነት ከይሰርሕን ዝድርት እዩ\" ዝብል መምህር መብራህተን፡ \"እዚ ኢ-ሕጋዊ ሚድያ ኮሚቴ፡ ኣብ ታሪኽ ሚድያ ትግራይ ዓብይ በሰላ ክገድፍ ይኽእል'ዩ\" ዝብል ስግኣት ገሊጹ። ብተወሳኺ፡ መራኸብቲ ሓፋሽ፡ ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ናይ 04 ክፍሊ ፖለቲካ ኮር መሪሕነት ብምንባረን ሕዚ'ውን እቲ ሌጋሲ ብፖለቲካን ስርዓት ሚዲያን ይቕጽል ኣሎ ኢሉ። ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ሊያ ካሳ ግና፡ ህላወ እዚ ሚድያ ኮሚቴ ብምርግጋጽ፡ ኣብ ዕለታዊ መደባት ይኣቱ ዝብል ትነጽጎ። \"ኣብ ዓለም፡ ንሚድያታት ፋሉል ዝሰደደ ስርዓት የለን። ናይ ሚዲያ ነጻነት ብዝብል፡ ሚድያ ኣይውግንን ይበሃል'ዩ። እዚ ትኽክል ኣይኮነን፤ ሚድያታት ነቲ ብህዝቢ ዝተመረፀ ኣካል ወይ ስርዓት እየን ዝውግና\" ኢላ። ካብዚ ብዝብገስ፡ እቲ ሚድያ ኮሚቴ ዝብሃል ካብ ፖሊሲን ስትራተጂን ተበጊሱ ኣንፈት ጥራሕ'ዩ ዘቐምጥ ብምባል፡ \"እቲ መዓልታዊ እዚ የሕልፍ እዚ ኣይተሕልፍ ዝበሃል ግና፡ ሓሶት እዩ\" ክትብል ነቲ ዝቐርበሉ ክሲታት ትነጽጎ። ኣብ እዋን ቃልሲ ጋዜጠኝነት፡ ኣብ 04 ክፍሊ ፖለቲካ ተወዚዑ ስለ ዝነበረ፡ ዜናታት ብከም በዓል መለስ ዜናዊ፣ ተወልደን ኣባይ ፀሃየን ዝበሉ ላዕለዎት ኣመራርሓ ተጻሒፎም ናብ ጋዜጠኛታት ይለኣኹ ነይሮም። ካብዚ ብዝብገስ፡ ግደ ጋዜጠኛታት ናይ ምቕራብ ጥራሕ ክኸውን ገይሩዎ'ዩ ዝብል መምህር መብራህተን፡ ነቲ ሕዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጋዜጠኝነት'ውን፡ \"ሕሙም\" ክኸውንን፡ ትሕዝቶታት 'ፓርቲዛን' (ንሓደ ውድብ ዝወገኑ) ክኾኑ ከም ዝገበሮን የብርህ። \"እቲ ዓብይ ሓደጋ፡ 'ወረዳ ቤት-ፅሕፈት ህወሓትን ሚድያን' ዝበሃል መሓውር ኣሎ። ናይ ሚድያን ኮምዩኒኬሽንን ዘሎ ሰራሕተኛ ብምሉኡ፡ መዋቕሩ ምስ ቤት-ፅሕፈት ህወሓት ስለዝኾነ፡ መራኸብቲ ሓፋሽ ብደረጃ መሓውር፡ ምስ ቤት-ፅሕፈት ህወሓት ዝተቖለፋ'የን\" ኢሉ። ኣብቲ ክልል፡ መንግስትን ውድብን ዝተሓዋወሰን ዓርሞ ዘይብሉን ምዃኑ፡ ዓብይ ፀገም ከምዝኾነን ዘብርህ ኣይተ ብርሃኑ ኣባዲ ድማ፡ \"ሚድያታት ናህታቶም ሓሻክር እየን ነይረን። ህዝቢ ትግራይ ሕገ-መንግስቲ ይከበር ኣብ ዝብለሉ፡ ንሕገ-መንግስቲ ዝጥሕስ ተግባር ግን ይፍጸም። ኣብ ሕገ-መንግስትን ኣዋጅን ዘየለ፡ ንመሰላት ሚዲያ ዝኸትርን ዝዕፍን ሚድያ ኮሚቴ ተሰይሙ\" ይብል ኣይተ ብርሃኑ ኣባዲ። ኣብዚ ጉዳይ፡ ኣብቲ ሕገ-መንግስቲ ዝተደንገገ ጥራሕ ኣይኮነን ክንዘራረብ ዝግባእ ዝብል ቅዋም ዘለዋ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ግና፡ \"ኣብ ናይ ውግንና ግዘ ስለ ዘለና ሚድያታት ክውግና ግድን እዩ\" ትብል። \"ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ፡ ኣብ መኸተ እዋን ከም ዘለና ተፈሊጡ፡ እተን ሚድያታት ነዚ ዝምጥን ስራሕ እንተዘይሰሪሐን፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ መንነቱ ዝበፅሖ ተፃብኦን ሓደጋን ምርዳእ የድልይ\" ኢላ ትኣምን። መራኸብቲ ሓፋሽ፡ ነፃ እንተኾይነን ንሕድሕድ ስርሑን ተልእኽኡን ዘይፍፅም ኣካል ስለዝቆጻጸርኦን፡ ሕጊ ኣብ ምጥሓስ ንዝተዋፈሩ ኣካላት ስለ ዝቃልዑን፡ እዚ ከይኸውን እቲ ሚድያ ክዕፈን ተገይሩ ይብል፡ ኣይተ ብርሃኑ ኣባዲ። ኣብ ልዕሊ መራኸብቲ ሓፋሽን ጋዜጠኛን ጸቕጢ እንትበጽሕ ድማ፡ ማሕበር ጋዜጠኛታት እቲ ክልል ክጣበቐሎም ምተገብአ ዝብል ጋዜጠኛ ተወልደ፡ \"ንድምፂ ህዝቢ ዝሕለቑ እንተኾይኖም፡ ብዛዕባ እቲ ዝፍፀም ዘሎ ዓፈና ምተዛረቡ ነይሮም\" ይብል። ንምዃኑ ማሕበር ጋዜጠኛታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ መራኸብቲ ሓፋሽን ጋዜጠኛታትን ዝግበር ዓፈና ንምፍታሕ እንታይ ሰሪሑ ክንብል፡ ንኣቦወንበር እቲ ማሕበር ኣይተ ፀጋው ታደሰ ሓቲትናዮ። እቲ ማሕበር፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣፍልጦ ከም ዝረኸበ ብምግላጽ፡ ቅድሚኡ ሕጋዊ ስለ ዘይነበረ፡ ካብ ዝተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፋሽ'ውን ዝቐረበሎም ጥርዓን ከም ዘየለ ይገልፅ። ይኹን'ምበር እቲ ማሕበር፡ ጋዜጠኛታት ኤጀንሲ መራኸብቲ ሓፋሽ ትግራይ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ዝተኣሰርሉ ግዘ፡ ነቲ ተግባር ብምኹናን መግለፂ ምውፅኡ ይዝከር። ካብዚ ብምጋስ፡ ጥርዓን ክቐርበልኩም ናይ ግድን ድዩ? ንዝብል ሕቶና እንትምልስ፡ \"ፈለማ እቲ ማሕበር ክጣየሽ ከሎ፡ ዋላ እኳ ሕጋዊ ኣፍልጦ ኣይሃልዎ፡ ድምፁ ከስምዕ ጸቕጢ ይግበር ነይሩ። ስለዚ ንሕና'ውን ጎና ጎኒ እዚ ማሕበር ከም ዝተጣየሸ ንምልላይ ብዝብል ሓበሬታታት ንህብ ነይርና። . . . ድሕሪኡ ግን፡ ሕጋዊ ማሕተም ከይረኸብና ክንቕጽል ስለ ዘይንኽእል፡ ነዚ ክሳብ ንውድእ ሕዚ እንብሎ ነገር ኣይህልውን። ኣብ ትግራይ ዘሎ ምዕፋን ሚዲያታት ብሓደ ግዘ ክፍታሕ እዩ ኢልና፡ ሃፂፅና እንገብሮ ነገር ኣይህሉን\" ዝብል መልሲ ሂቡና። እቲ ማሕበር ኣብቲ ክልል ዘሎ ዓፈና መራኸብቲ ሓፋሽ ከም ዝርደኦ ዝገለፀ ጋዜጠኛ ፀጋው፡ እቲ ሚድያ ኮሚቴ መንግስታዊ ትካል ኮይኑ ክመርሕ ኣይግባእን ዝብል እምነት ከም ዘለዎን፡ እቲ ማሕበር ምስ ጠንከረ ምስ ኣመራርሓ መንግስትን ናይ ሚድያ ኣመራርሓን ብምዝታይ ነቲ ዓጋቲ ኣሰራርሓ ብምዝታይ ክቕየር ከም ዝሰርሕ ተዛሪቡ። ይኹን'ምበር፡ እቲ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ነቲ ጋዜጠኛ ውሕስነት ዝህብ ብዘይምዃኑ፡ \"ንሕና በታ ዘላትና ሞያ ንሕብረተሰብና ዋላ ክንስዋእ ኢና ኢልና'ምበር፡ ከብድኻ እናሓኸኽካ ዝስራሕ ስራሕ'ኸ እንታይ ስራሕ ኮይኑ'ዩ\" ዝብል ጋዜጠኛ ተወልደ፡ መንግስቲ ፍታሕ ክገብረሉ ተላብዩ። ሚድያ፡ ስልጣን ናይ ዝተቖፃፀረ ኣካል መሳርሒ ዘይኮነስ፡ መግለጺ ምዕባለ ዲሞክራስያዊ ስርዓት'ዩ ዝብል ኣይተ ብርሃኑ ድማ፡ ድምፂ ህዝቢ እንትዕፈንን መሰል ህዝቢ እንትጠሓስን ግን፡ ባይቶ እቲ ክልልን ህዝባዊ ውዳበታትን ጠንኪሮም ክቃለሱ ይግባእ ይብል። \"ቅድሚ ኩሉ ኣብቲ ሕገ-መንግስትን ኣብቲ ኢዲቶርያል ፖሊሲን ዝሰፈረ ነፃነት ናብ መሬት ወሪዱ ኣብ ተግባር ክውዕል ኣለዎ። እዚ እንተዘይተፈፂሙ ግና፡ ኣብ ትግራይ ምዕቡል፣ ስልጡን፣ ሞያዊ፣ ጥበባዊ ዝበሃል ሚድያ ክህሉ ሕልሚ እዩ\" ኢሉ። እዚ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን መራኸብቲ ሓፋሽን ትግራይ ዝፍፀም ዓፈና፡ መዓዝ ከም ዘብቅዕ ኣይፍለጥን። እዚ መደብ ናብ ሕትመት ክሳብ ዝበቕዐሉ ግዘ፡ መንግስትን ውድብን እቲ ክልል ምስ ፌደራል መንግስቲ ኣብ ርሱን ውጥጥ ብምህላዉ፡ መራኸብቲ ሓፋሽ ትግራይ፡ ትኹረተን ነዚ ንምምካት ክገብራን ነቲ ክልልን ውድብን ዘቃልዕ ናይ ምርመራ ስራሕቲ ከይስርሑን፡ ካብ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ኣንፈት ከም ዝወረደ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ፡ ኣብ ሞንጎ ውድባት ህወሓትን ብልፅግናን ዘሎ ኣፈላላይ ጉዳይ ስርዓትን መስመርን'ምበር፡ ናይ ፌደራልን መንግስትን ትግራይን ጥራሕ ተገይሩ ክውሰድ ከም ዘይግባእን \"ኣብ ሞንጎ ሕገ-መንግስቲ ነኽብርን፡ ሕገ-መንግስቲ ኣይነኽብርን ዝብል ኣካልን ዘሎ ኣፈላላይ\" እዩ ኢላ። \"ብፌደራል መንግስቲ ዝምርሑ ሚድያታት፡ ትግራይ ማእኸል ዕግርግርን ግጭትን ከም ዝኾነት ኣምሲሎም ዝተፈላለዩ ፀለመታት ይሰርሑ ነይሮም። እዚ ንምልሶ ድማ እቲ ትኽከለኛ ኣብ ባይታ ዘሎ ብሚድያታትና ብምጉላህን ብዝተፈላለዩ መግለፅታትን'ዩ። ነዚኣ ንምሽፋን ኢልና ግን ኣብ ትግራይ ዘለዉ ፀገማት ክንሓብእ ኣለና ጠጠው ይበል ዝበለ ኣካል የለን፤ ጠጠው ክብል'ውን ኣይኽእልን\" ዝብል ምላሽ ሂባትና።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53218209"} {"headline":"በዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያ ነቲ ካብ ትግራይ ዝቐረበሉ ጥርዓን ከጻርይ ምጅማሩ ሓቢሩ","content":"እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ናብቲ በዓል መዚ ዝተጽሓፈ ደብዳበ፡ ዝተፈላለያ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር \"ኣብ ትግራይ ጸጥታን ምርግጋእን ከም ዘየለ ዝገልጽ ስኑዕ ዜና ብምዝርጋሕ\" ይኸሰን። በዚ ምኽንያት፡ እቲ ቢሮ ናብ በዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያ ደብዳበ ጽሒፉ። እቲ ደብዳበ፡ \"ኮነ ተባሂሉ ስኑዕ ዜና ዘርጊሐን ኣብ ዝበለን ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሃን ፌደራልን ክልልን\" ምጽራይ ተኻይዱ ሕጋዊ ስጉምቲ ንኽውሰድ ይሓትት። ብ 16 ግንቦት 2012 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ኢቢሲ፣ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ፣ ፋና ብሮድካስቲንግ፣ ዋልታን መራኸቢ ብዙሃን ኣምሓራን \"ብሄር ተኮር ስኑዕ ዜና\" ፈኒወን ክብል'ውን ይኸስስ። ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ጸገም ጸጥታ ከም ዝተፈጠረ፤ ኣብ ሽረን ከባቢኣን ከምኡ'ውን ኣብ ወጀራትን ከባቢአን ሰላማዊ ሰልፍታት ከም ዝተኻየዱ፤ እዚ ጸገም ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ቅድሚ ምብጽሑ ድማ መንግስቲ ፌደራል ሞንጎኛ ኮይኑ ንኽኣትው ነበርቲ ምሕታቶም ዝገልጽ ዜና ምዝርግሐን ናብ በዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያ ዝተልኣኸ ደብዳበ የረድእ። ኣብ ክልል ትግራይ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ? “ኣብ ትግራይ ኩሉ ዓይነት ሓሳብን ማሕበራትን ብናጻ ክንቀሳቐሱ ኣለዎም” ዶክተር ደብረጽዮን መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ኣምጺኡ'ዶ? ኣብ በዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ጉዳያት ኮሚዩኒኬሸን ኣይተ ገብረጊወርጊስ ኣብርሃ፡ እቲ ደብዳበ ናብቲ በዓል መዚ ከም ዝበጽሐን ምጽራይ ከም ዝተጀመረን ሓቢሩና። \"እቲ ደብዳበ ከም ዝበጽሓና ኣረጋጊጸለኹ። ከምዚ ዝበለ ጥርዓን ክቐርብ ከሎ ብናይዚ በዓል መዚ ክፍሊ ክትትል መራኸቢ ብዙሃንን ህንጸት ዓቕምን ስራሕቲ ምጽራይ ይካየድ'ዩ\" ኢሉ። \"ብመሰረት እቲ ደብዳበ ኣድላዪ ምጽራይ ንኽኻየድ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ትካልና ትእዛዝ ከም ዝወረደ ይፈልጥ'የ። እዚ ጉዳይ ዝምልከቶ ክፍሊ ከኣ ነቲ ናይ ምጽራይ ስራሕቲ ጀሚሩ'ሎ\" ክብል'ውን ወሲኹ ሓቢሩ። እቲ ዝርከብ ውጽኢት'ውን ዝምልከቶ ኣካል ክፈልጦ ከምዝግበር ዝገለጸ እቲ ዳይሬክተር፡ እቲ ጉዳይ ክእረም ዘለዎ እንተኾይኑ ክእረም፤ ንረብሓ ህዝቢ ዝጻባእ ወይ ከኣ ምስ ዕላማን ተግባርን በዓል መዚ ብሮድካስት ዝጻረር እንተኾይኑ ድማ ስጉምቲ ከምዝውሰዶ ኣረዲኡ። ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ፡ ቅድም ክብል'ውን ተመሳሰልቲ ቅሬታታት ኣቕሪቡ ካብቲ በዓል መዚ ምላሽ ከምዘይረኸ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ብምግላጽ ነዓኣቶም ዘካተተ ግቡእ መልሲ ክወሃቦ ሓቲቱ'ሎ። ነዚ ዝምልከት ሕቶ ዘቕረብናሉ ኣይተ ገብረጅወርግስ ነዊሕ ግዜ ዝገበረ ስለዝኾነ መብርሂ ክህበሉ ኣይክእልን ኢሉ። \"ነዊሕ ግዜ ስለዝኾኖን እኹል ሓበሬታ ስዘለይብለይን ክዛረበሉ ኣይክእልን። ምስ ፈነወ ሚድያ ዝተሓሓዝ ጥርዓን እንተሃልዩ ግን፡ ትሕዝቶ እቲ ዝተመሓላለፈ መደብ፣ መዓዝን ኣበየናይ ሰዓትን ከምዝተመሓላለፈ፣ እንታይ ዓይነት ግድፈት ሕጊ ኣለዎ? ዝብሉ ብዘካተተ መገዲ ክቐርብ ኣለዎ። እቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ ብዝብል ዝቐርብ ዘሎ ናይ ቅድሚ ክልተ ዓመት'ዩ\" ኢሉ። ንሱ ከምዝበሎ፡ ጥርዓን ክቐርብ እንተኾይኑ ብመሰረት ደንቢ ኣቀራርባ ቅሬታ በዓል መዚ ብሮድካስት፡ እቲ ፕሮግራም ካብ ዝሓለፍ ኣብ ውሽጢ ዝተወሰነ ገደብ ግዜ እንተቐሪቡ እዩ 'ውሳነ ተዋሂቡ'ዶ ኣይተወሃበን?' ዝብል ክረአ ዘለዎ። \"ሕዚ ግን ነዊሕ ዝገበረ ስለዝኾነ ብዛዕብኡ ንምዝራብ ቁሩብ ዝኸብድ'ዩ። ሽዑ መልሲ እንተዘይተዋሂብዎም ተኸታቲሎም 'መልሲ ኣይተወሃበናን' ምባል መሰሎም'ዩ። ሕዚ ድሕሪ ነዊሕ እዋን መልሲ ኣይረኸብናን ዝብል ክቐርብ ኣይክእልን\" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ። እቲ በዓል መዚ፡ ንዝቐረበሉ ቅሬታን ጥርዓንን ኣጻርዩ ንዝምለከቶ መልሲ ምሃብ ግዴትኡ'ዶ ኣይኮነን? ዝብል ሕቶ ዘቕረብናሉ እቲ ዳይሬክተር፡ ብእዋኑ መልሲ ምሃብ ብሕጊ ከምዝግደድ ኣመልኪቱ። ወሲኹ ድማ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ'ውን ነቲ ዘቕረቦ ጥርዓን ብእዋኑ ምላሽ ክሓትን ከምዝነበሮ ኣዘኻኺሩ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52885453"} {"headline":"ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ናብ ሕትመት ትምለስ","content":"ብቋንቋ ትግርኛ እትሕተም ልሳን መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ደውታ ሎሚ ናብ ኣንበብቲ ተዘርጊሓ። ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዕጽዋ ተኣዊጁ ተግባራዊ ካብ ዝኾነሉ፡ 2 ሚያዝያ ጀሚራ ተቋሪጻ ዝጸንሐት እታ ጋዜጣ፡ ካብ ሰሉስ 1 መስከረም ጀሚራ ትዳሎ ከም ዘለን: ሎሚ 2 መስከረም ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ከም ዝተዘርግሐትን ተፈሊጡ። ዛጊት ዘርግሐ እታ ጋዜጣ ብኦንላይን ብመገዲ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ኮይኑ፡ ካብ ሎሚ ሰሉስ ናብ ዳግመ ሕትመትን ዘርጋሐን ክትምለስ ውጥን እኳ እንተነበረ፤ ጌና ሕትመት ኣይጀመረትን ኣላ። ቢቢሲ ዝተወከሶ ኣዳላዊ እታ ጋዜጣ ኣቶ ኣስፍሃ ተኽለማርያም ነዚ ከብርህ ከሎ: ብመሰረት ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተኣታተወ ቀይድታት፡ ካብ ዝምልከቶ ኣካል ፍቓድ ክሳብ ዝርከብ \"ንዝተወሰነ መዓልትታት\" እቲ ዝርግሐ ብኦንላይን ክቕጽል ምዃኑ ሓቢሩ። ብዘይካ ሰኑይ መዓልታዊ ብሚኒስትሪ ዜና እትሕተም ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ: ድሕሪ ናይ 128 መዓልትታት ብኩራት እያ 1 መስከረም፡ ኣብ ኣጋጣሚ መበል 29 ዓመት ዕለተ ልደት እታ ጋዜጣን መበል 59 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራን፡ ዳግማይ ተቐልቒላ። ኣብ ቀዳማይ ገጽ ዝሰፈረ ንምኽንያት ምቁራጽ ምድላው እታ ጋዜጣ ዘብርህ ጽሑፍ፡ ጋዜጣ ሓደ መገዲ መተሓላለፊ ቫይረስ ክኸውን ከም ዝኽእል ብምግላጽ ንድሕነት ህዝቢ ዝተወስደ ስጉምቲ ምዃኑ ይገልጽ። \"ከም ዝፍለጥ፡ ሓንቲ ጋዜጣ ምስ ተዓደገት፡ ዳርጋ ከም ልሙድ ኣብ'ቲ ዓዳጊኣ ኣይትቐውምን እያ። ካብን ናብን ሰባት ስለእትቀባበል፡ ተኽእሎታት ምምሕልላፍ ናይ'ቲ ሓደገኛ ቫይረስ ብኣኡ መጠን ስለዝኸውን፡ ንድሕነት ህዝቢ ካብ ሕትመት ጠጠው ምባላ ዝሓሸ ምዃኑ ተኣሚኑሉ እዩ - እቲ ግዜያዊ ደውታ ተመሪጹ\" ይብል። ነዚ መፍትሒ ክኸውን ድማ፡ ብዝተኻእለ መጠን ሰባት ጋዜጣ ካብ ምልቅቓሕ ብምቑጣብ ዘድልይ ጥንቃቐ ክገብሩን እቲ ጽሑፍ ኣተሓሳሲቡ። \"ጋዜጣ፡ ምናልባት ካብ'ቲ ቀዳማይ ዋናኣ እንተደኣ ቀጺላ እውን - ዝርጋሐኣ ብዝተኻእለ መጠን ካብ መንጎ'ቶም ኩሉ ማሕበራዊ ህይወቶም ብሓባር ዝኾኑ ኣባላት ስድራ-ቤት ክርሕቕ ኣይግባእን\" ኢሉ። መንግስቲ ኤርትራ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ኣብ 2001 ካብ ዝኽልክልን ንመብዛሕትኦም ኣዳለውተን ኣብ ማእሰርቲ ካብ ዘእትውን ንደሓር፡ ኣብታ ሃገር ብቋንቋ ትግርኛ እትሕተም ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ጥራሕ እያ። ሚኒስትሪ ዜና ብቋንቋ ዓረብን 'ኤርትርያ ኣልሓዲሳ'፡ ብቋንቋ ትግረን 'ኤረትርየ ሓደስ' ዘዳልወን ጋዜጣታት'ውን ተቋሪጸን ድሕሪ ምጽናሕ ካብ ትማሊ ጀሚረን ክሕተማ ጀሚረን ኣለዋ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54005096"} {"headline":"\"ይኣክል፡ ኣንጻር ጋዜጠኛታት ገበን ደው ይበል!\"","content":"ሎሚ ኣንጻር ጋዜጠኛታት ንዝፍጸም ገበናት ንከብቅዕ ጻውዒት ዝቐርበሉ ኣህጕራዊ መዓልቲ'ዩ። \"ይኣክል፡ ኣንጻር ጋዜጠኛታት ገበን ደው ይበል!\" ብዝብል መርሓ ከኣ ኣባል ሃገራት ሕቡራት ሃገራት ኣብ መላእ ዓለም ኣንጻር ጋዜጠኛታት ዝግበር ዓመጽ ደው ክብል የዘኻኽር። ገጻት-ወብሳይት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ው.ሕ.ሃ. ) ከም ዘመልክትዎ ካብ 2006 ክሳብ 2019 ልዕሊ 1,200 ጋዜጠኛታት ከምዝሞቱ ይሕብር። ንምንታይ? ንህዝቢ ሓበሬታታት ስለ ዜመሓላለፉ። ዓመጽቲ መንግስታት ብሃገራዊ ድሕነት ኣመኻንዮም፡ እቶም ሓቂ ዝመረሮም ሱር-ነቀለኛታት ባእታታት ድማ ብጥቕሞም ተደሪኾም፡ ካልኦት ድማ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ንጋዜጠኛታት ክሃድኑን ከፈራርሑን ይርከቡ ይብል እቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት መግለጺ። ው.ሕ.ሃ. ነዚ ዓመጽ'ዚ ብምስትብሃል ብ 2013 ኣብ መበል 68'ዊ ኣኼባኡ ዜጽደቖ ዉሳኔ (A\/RES\/68\/163) ዕለት 2 ሕዳር ኣንጻር ጋዜጠኛታት ዝፍጸሙ ገበናት ደው ንኽብሉ ዝጽውዕ መዓልቲ ክኸውን ኣዊጁ። እቲ ኣዋጅ ኣብ ብዙሓት ሸነኻት ዓለምና ይዝከር። ይኹን እምበር ሓደ ሓደ መንግስታት \"ኣብ ጕዳይና ጣልቃ ኣይተእትዉ\" ኢለን ብምምጓት ነቲ ጕዳይ ከም ዘይናተን ገይረን ከምዝርእየኦ እቲ መግለጺ የብርህ። ው.ሕ.ሃ. እቲ መዓልቲ ንክዝከር ጥራይ ዘይኰነስ ነተን ነቲ ገበን ዝፍጽማ ዘለዋ መንግስታት ኣራሚ ስጕምቲ ብምውሳድ - ነቲ ኣንጻር ጋዜጠኛታት ዝካየድ ረገጻ ብሕጊ ክምከትን ደው ዝብለሉ ኣገባብ ምኽታልን ይጽውዕ። ዕማም ኣዋጅ A\/RES\/68\/163 ሰፊሕ'ዩ፣ ኣድላዪነት ናጻ ፕረስ ኣስሚሩ ንኣባላት ሃገራት ኣጥቢቑ ብሓላፍነተን ዜዛኻኽሩ ዓንቀጻት ተኸቢቡ ይርከብ። እቲ ኣዋጅ ኣብ ዓንቀጽ ትሽዓተ ናይ \"ኣህጕራዊ ኪዳን ሲቪላውን ፖለቲካውን መሰላት\" - A\/RES\/2200A(XXI) - ዝበሃል ሰነድ ተሞርኲሱ ኢዩ ተጻሒፉ። ዓንቀጽ ትሽዓተ፡ ናጻ ኴንካ ሓሳብካ ምግላጽ መሰረት ናይቲ ሓደ ሰብ ወይ ከኣ ማሕበረሰብ ብዘይ ፍርሒ - ካብ ሕነ-ፍዳ፡ ሳንሱር፡ ሕጋዊ መቕጻዕቲ - ሓሳቦም ንክገልጹ ዜኽእሎም መሰል'ዩ። ኤርትራ እውን ነቲ ኪዳን ብዕሊ ካብ እትቕበሎ እንሆ 19 ዓመት ኰይኑዋ ኣሎ። ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ዋና-ጽሓፊ ው.ሕ.ሃ. ፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ዜመሓላለፎ መልእኽቲ፡ \"ንጋዜጠኛታት ግዳይ ምስ እንገብሮም እቲ ማሕበረ-ሰብ ባዕሉ'ዩ ነቲ ዕዳ ዝሽከሞ። ጋዜጠኛታት ስርሖም ብሰላም ክሰርሑ እንተዘይክኢሎም እቶም ዓመጽቲ ሕንፍሽፍሽን ኣእትዮም ናይ ሓሶት ሓበሬታ ንምስርጫው ይጥዕመሎም\" ኢሉ። \"ኣብዚ ዓመት'ዚ፡ ኣንጻር ኮቪድ-19 ንቃለሰሉ ዘሎና እዋን፡ ናጻ ፕረስ ኣብ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ዘላቒ ምዕባሌ ንምፍጣር፡ ሰብኣዊ መሰል ደቂ-ሰብ ንክኽበር ዝጻወቶ ተራ ምእንቲ ንክዓዝዝ ኣድላይነቱ ደጊመ እጽውዕ ኣሎኹ\" ክብል ተዛሪቡ። ምስኡ ኣተሓሒዙ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ናጻ ሚድያን ክግበር ዝጸንሐ እገዳታት፡ እንኮላይ ምፍርራሕን ግዝታትን፡ማእሰርቲ፡ ጋዜጠኛታት ንነብሶም ክከላኸልሉ ዘኽእሉ መስርሓት ክረኽቡ ኣብ ዘይክእልሉ ኵነታት ክወድቁ ዓገብ ኢሉ። ኣብ ሒደት ኣዋርሕ ናይ'ዚ ዓመት'ዚ - ህዝባዊ ተቓውሞ ብምድሃብ ጽሒፍኩም ንዝተባህሉ- ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት 21 መጥቃዕትታት ከም ዝተፈጸሙ ብዕሊ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኤርትራ ናጻ-ፕረስ ብምግታኣ ካብ 180 ሃገራት መበል 178 ኰይና ተረኺባ። እዚ ናይ 2020 ሊስታ ዀይኑ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት'ውን ብተደጋጋሚ ካብኡ ዘይሓይሽ ተርታ ሒዛ ክትጐዓዝ ከምዝጸንሐት ጸብጻብ \"ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ\" (Reporters Without Borders) ዝተባህለ ኣህጕራዊ ትካል ይገልጽ። \"ብ 2018 ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ሰላም ውዕል'ኳ ይፈርማ፡ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኝነት ዝተራእየ ለውጢ የለን\" ክብል \"ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ\" ርእይትኡ ኣቕሪቡ'ሎ። \"ትካልና ብተኸታታሊ ካብ 2001 ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ናይ ውልቀ ጋዜጠኛታት ዝተፈጸመ ግፍዒ መፍትሐ ክግበረሉ'ኳ እንተጸውዐ ክሳብ ሕጂ ግን ሰማዒ ኣይረኸበን\" ክብል ክሱ ኣቕሪቡ። እቲ ኣህጕራዊ ትካል፡ \"ዓሰርተ-ሓደ ካብ'ቶም ሽዑ ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ንስድርኦም ከይረኣዩ፡ ብዘይ ጠበቓ ከርተት ይብሉ ኣሎዉ\" ክብል እውን ጻውዒቱ ኣኽሪሩ ኣሎ። እቶም ኣብ መስከረም 2001 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ካብ ዝኣትው ክሳብ ሕጂ ብዘይ ንቡር መስርሕ ቤት ፍርዲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡን ሃለዋቶም ብዕሊ ዘይፍለጥን 11 ጋዜጠኛታት ብሕቲ ኣሰናዳእትን ጸሓፍትን እዞም ዝስዕቡ እዮም። 1.ስዩም ጸሃየ 2.ፍስሃየ ዮውሃንስ ጆሽዋ 3.ዳዊት ኢሳቕ 4.ዳዊት ሃብተሚካኤል 5.ሳህለ ጸገዝኣብ 6.ሰይድ ዓብደልቃድር 7.ተመስገን ገብረየሱስ 8.ኣማንኤል ኣስራት 9.ማቴዎስ ሃብትኣብ 10.ዮሱፍ መሓመድ ዓሊ 11.ዳዊት ሃብተሚካኤል እዮም። ካልኦት ከም ሳልሕ ኣልጀዛይር፡ ሓምድ ሲኤንኤን፡ ጀሚል ከሚል ዝኣመሰሉ ጋዜጠኛታት መንግስቲ ካብ ዝእሰሩ ክሳብ ሕጂ ደሃይ ዘይብሎም ጋዜጠኛታት ከምዘለው መርበብ ሓበሬታ ፔን ኤርትራ ይጠቅስ። እዞም ብዕድመን ተመኩሮን ዝፈላለዩ ገዳይም ተጋደልትን ተረከብቲ ሕደሪ ዋርሳይን ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ብመንግስቲ ዝቐረበሎም ወግዓዊ ክሲ የሎን። እንትርፎ ላዕለዎት ሰብስልጣን መንግስቲ ኣብ ዝገብሩዎ ኣኼባታት ህዝቢ ኣብ ምንዕዓብ ተሳቲፎም ገሊኦም ከኣ ካብ ናይ ግዳም ሓይልታት ምወላ ተቐቢሎም ዝብል ሓፈሻዊ ዘረባ እንተዘይኮይኑ፡ ተኸሰስቲ ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ቀሪቦም ነብሶም ንኪከላኸሉ ምላሽ ዝህብሉ ወግዓዊ ክሲ ከምዘይቀረቦም ጸሓፍ ታሪኽ ዳዊት መስፍን የረድእ። ንማእሰርቲ እዞም ጋዜጠኛታት ብዝምልከት ከኣ፡ ከም ኣምኒስት ኢንተርናሽናል፡ ሂዩማን ራይት ዎች፡ ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ፡ ሂዩማን ራይት ዲፈንደር፡ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራን ካልኦት ሓያሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብንቡር መስርሕ ቤት ፍርዲ ክዳነዩን ክፍትሑን ክጽውዓ ጸኒሐን ኣለዋ። ኢድሪስ ኣባ'ዓረ እውን ሓደ ካብ'ቶም ተኣሲሮም ዘለው ፍሉጣት ጸሓፍቲ ገዲም ካድር ህዝባዊ ግንባርን እዩ። እድሪስ ኣቡዓረ ከቢድ ስንኩልና ኣለዎ። ቅድሚ ምእሳሩ ዳይረክተር-ጀነራል ናይ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕንነትን ኰይኑ ዘገልገለ ሰብ'ዩ። ኣባ'ዓረ ክልተ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈ፡ ኣብ ኤሪትረያ-ኣል-ሓዲሳ ኣብ ዝተባህለ ጋዜጣ መንግስቲ ብቐጻሊ ዘበርክት ዝነበረ ሰብ እዩ። ኣብ መስከረም 2001 ካብ ዝእሰር ከኣ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ኣይፈልጥን፣ ኵነታቱ ይኹን ሃለዋቱን ዝፈልጥ ሰብ እውን የለን ክብሉ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ተጣበቕቲ ኣህጕራውያን ትካላት ይገልጹ። መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብዝሓለፈ ሚያዝያ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበሉ ክስታት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ግብረመልሲ ሂቡሉ ነይሩ'ዩ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣብቲ ዘውጽኦ ነዊሕ መግለጺ፡ ነቲ ብ17 ሚያዝያ ብፍልይቲ ተኸታታሊት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ናብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ክሲታት \"ዘይቅዱዉ\" ክብል ነጺግዎ። ከምኡ'ውን ብተደጋጋሚ ንዝተፈላለዩ ክስታት ከነጽግ ጸኒሑ'ሎ። ብሸሞን ጥቅምቲ ፓርላማ ኤውሮጳ፡ መንግስቲ ኤርትራ ሃለዋት ሽወደናዊ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ንመንግስቲ ስዊድን ከፍልጥን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ክፈትሖን ድሕሪ ምጽውዑ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ፓርላማ ኣውሮጳ \"ንጉዳይ ዳዊት ኢሳቕ\" ከም ጉልባብ ብምጥቃም ንመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምጽላም ተዋፊሩ ኣሎ ክብል መሊሹ። ክሳብ ሕጂ ከኣ ሃለዋት እዞም ኤርትራውያን እሱራት ጋዜጠኛታት ዝፈልጥ የሎን። መንግስቲ ኤርትራ እውን ወግዓዊ ምላሽን መግለጽን ካብ ዘይህብ ድሮ 19 ዓመቶም አሕሊፎም ኣለው።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54769932"} {"headline":"ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ስዊድን ክሲ ‘ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት’ ቀሪብዎ","content":"ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት (RSF) ዝተብሃለ ዓለማዊ ትካል፡ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ካልኦት ሸውዓተ ላዕለዎት ሰበስልጣንን፡ ክሲ ‘ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት’ ኣቕሪቡሎም። እቲ ክሲ ኣብ ጉዳይ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ዘተኮረ ኮይኑ፡ ብትካል ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ናብ ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ-ሕጊ ዓለምለኻዊ ገበናት ስዊድን እዩ ቐሪቡ ዘሎ። ፕረዚደንት ኢሳይያስን እቶም ካልኦት ሰብ መዚን፡ ንኤርትራዊ-ስዊድናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ሃለዋቱ ከየፍለጡ ካብ 2001 ኣትሒዞም ኣሲሮምዎ ብምህላዎም ‘ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት’ ከም ዝፈጸሙ ብምግላጽ እዩ ትካል ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ክሲ ኣቕሪቡሎም። ኣብ ልዕሊ እዞም ሰበስልጣን፡ ኣገዳሲ ገበናዊ ምርመራ ክግበረሎምን፡ ንጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ “ብምስቓይ፣ ብምጭዋይን ሃለዋቱ ብምስዋርን” ክሕተቱን ፍርዲ ክረኽቡን ድማ ይጠልብ። እቶም ክሕተቱ ኣለዎም ዝተብሃሉ ሰበ-ስልጣን ድማ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ሚኒስተር ሓበሬታ፣ ሚኒስተር ፍትሒ ከምኡ ድማ ካልኦት ኣርባዕተ ናይ ምምሕዳርን ጸጥታን ላዕለዎት ሰብ-መዚ ከም ዝኾኑ ተገሊጹ’ሎ። ዳዊት ኢሳቕ መን እዩ? ዳዊት ኢሳቕ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ኮይኑ፡ ሓደ ካብ መስረትቲ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ‘ሰቲት’ እዩ። ኣብ 2001፡ መንግስቲ ኤርትራ ንጋዜጠኛታትን ተቐናቐንትን ክኣስር ከሎ፡ ዳዊት’ውን ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። ትካል ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ከም ዝብሎ እንተኾይኑ፡ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ክሳብ 2005 ብህይወት ከምዘሎ ጽንጽንታ’ኳ እንተነበረ፡ ካብኡ ንደሓር ግን ሃለዋቱ ኣይፍለጥን። ዳዊት ኢሳቕ፡ ብ2011 ሽልማት ዓለማዊ ናጽነት ፕሬስ ተዋሂብዎ እዩ። እቲ ጋዜጠኛ፡ ንኣስታት 20 ዓመታት ክእሰር እንከሎ፡ ዝኾነ ክሲ ኣይቐረበሉን፤ ስድራ ኮነ ጠበቓታት’ውን ኣይረኸብዎን። ኤርትራ፡ ብናጽነት ፕሬስ ካብተን ኣብ ዓለም ኣብ ድሕሪት ዝስርዓ ሃገራት ኮይና፡ ኣብ’ታ ሃገር ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ኮነ ካልእ ዓይነት ናይ ብሕቲ መራኸብቲ ሓፋሽ የለዋን። መንግስቲ ኤርትራ እንታይ ይብል? ኣብ መፈለምታ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ባይቶ ኣውሮጳዊ ሕብረት ንስዊድናዊ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ክትፈትሖ ጠሊቡ እዩ። ብተወሳኺ፡ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ፡ ዳዊት ኣበይ ከምዘሎ ብቕልጡፍ ሓበሬታ ክህቡን፡ ከምኡ'ውን ንወከልቲ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ንመንግስቲ ሽወደንን ክርእይዎ ከፍቅድን፡ ንጥዕናዊ ኩነታቱ ብዝምልከት ዘድልዮ ዘበለ ሓገዝ ክግበረሉን ጻውዒት ኣቕሪቡ። ኤርትራ ግን ነዚ ጠለብ፡ ብሓፈሽኡ \"መርዛም\" ምትእትታው ክትብል እያ መልሲ ሂባትሉ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ \"እዚ ስግንጢር ትሕዝቶን ቅኒትን ዘለዎ ውሳነ፡ ካብቲ [እቲ ባይቶ] ን20 ዓመታት ዝተኸተሎ ዝፈሸለ 'ናይ ስርዓት ለውጢ' ፖሊሲታት ካብ ዘይምስላጡ ዝተበገሰ'ዩ” ኢሉ ነይሩ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54642586"} {"headline":"ተቓውሞ ቤላሩስ፡ 'መምለሲ የብሉን፤ ህዝቢ ይቕረ ኣይብለናን'","content":"ኣቕራቢት ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቤላሩስ ታትያና ቦሮድኪና ፖለቲከኛ ኣይኮነትን። እኳ ድኣ፡ ወትሩ ንጉሆ ምስ ክልተ ደቃ ተሓጋጊዛ ቅልል ዝበለ ጥዑም መግቢ እተቕርብ ኣደ ሰለስተ ቖልዑት'ያ። ብምኽንያት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ መረጻ ዝሰዓበ ናዕቢ ኣብ ቴሌቪዥን ቐሪባ ክምስ ክትብል ስለ ዘይትኽእል ስርሓ ከም ዝገደፈቶ ብፌስቡክ ገሊጻ። ንድሕነታ ዘስግኡዋ ምፍርራሓት ይበጽሓ ስለ ዝነበረ ድማ ደቃ ሒዛ ካብታ ሃገር ክትወጽእ ተገዲዳ። ታታንያ፡ ካብቶም ንለውጢ ዝድግፉ ሰራሕተኛታት ብመንግስቲ ዝምወል ሚዲያ ሓንቲ'ያ። ን26 ዓመታት ክስራሕ ዝጸንሐ ፕሮፖጋንዳን ሸፈጥ ሓበሬታን ድማ ፕሬዝደንት ኣሌክሳነደር ሉካሼንኮ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዕድል ከም ዝሃቡዎ ትገልጽ። ብሰኑይ፡ ሰራሕተኛታት ሃገራዊ ሚዲያ ቤልተለራዲዮ ብ9 ነሓሰ 2020 ዝተኻየደ መረጻ \"ዘይሕጋዊ'ዩ\" ብማለት ኣብ ልዕሊ ሚዲያ ዝግበር ምምያ'ውን ጠጠው ክብል ኣለዎ ብዝብል ካብ ስራሕ ቦዂሮም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰራሕተኛታት ቴሌቪዥን ቤላሩስ ናይ ስራሕ ኣድማ ስለ ዝገበሩ፡ እቲ ስቱድዮ ጥርሑ ሙዚቃ ጥራሕ ይፍኑ ከም ዘሎ ብማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ብሰፊሑ ዝተዘርግሑ ምስልታት የመላኽቱ። \"ካብዚ ንላዕሊ ሕጉስቲ ኮይነ ንተመልከትቲ 'መቂሩካ ብቐሊሉ ምንባር ይከኣል'ዩ' ክብሎም ኣይደልን\" ኢላ ታታኒያ። እዛ ፍልጥቲ ኣቕራቢት ኤስቲቪ ነዚ ስምዒታ ዝገልጽ ሓሳብ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ምስ ጽሓፈት፡ ሓደ ብሌላ እትፈልጦ ሰብ ናብ ገዝኣ መጺኡ ከም ዘፈራርሓ ገሊጻ። \"ኣብ ጽብቕቲ ሃገር ንነብር ከም ዘለና ነጊሩኒ፤ ኣለስሊሱ የጠንቅቐኒ ከም ዘሎ ብምግላጽ ድማ ጽባሕ ካልኦት ሰባት መጺኦም ካልእ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ነጊሩኒ\" ኢላ። ታታኒያ፡ ሕጂ ኣብ ዩክሬን'ያ ዘላ። እንተኾነ ብቐጻሊ ብቴሌፎና ምፍርራሕ ይበጽሓ ኣሎ። \"ክዛረብ እንተቐጺለ ደቀይ ክወስዱለይ ከም ዝኾኑ ይነግሩኒ\" ትብል። ካልኦት ፍሉጣት ጋዜጠኛታት ዝርከቡዎም ውሩያት ናይ ሚዲያ ሰባት ስርሖም ደው ከም ዘበሉ ይገልጹ ኣለው። መብዛሕትኦም ስለ ምንታይ ስርሖም ደው ኣቢሎም ብግልጺኣ ይዛረቡን። ታታኒያ ግን፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ተቓውምኦም ዘስምዑ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ዝወሰዱዎ ጭካነ ዝተመልኦ ስጉምቲ ምኽንያት ውሳንኣ ነይሩ። \"ንሰብ ከፈራርሑ'ኳ እንተፈተኑ እቲ ውጽኢት ግን ብኣንጻሩ'ዩ ዝኸውን ዘሎ። እንታይ ከም ዝሓለፈ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይክርስዖን\" ትብል ኣብ ልዕሊ ናዕበኛታት መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመን ጃምላዊ ማእሰርቲ ከም ዝነበረን ብምግላጽ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ብሓይልታት ጸጥታ ተኣሲሮምን ተሃሪሞምን ካብ ዝነበሩ መሓዙታ ብእትረኽቦም መልእኽታት ቅሳነት ስለ ዘይትረክብ ሰላማዊ ድቃስ ከም ዘይብላ ትዛረብ። \"ንድሕሪት መምለሲ የለን፤ ሰባት ድማ ነዚ ይቕረ ኣይብሉዎን\" ትብል። ሪፖርተር ያና ሽዮኮ ድሃይ በዓል ቤታ ምስ ተስኣነ ተመሳሳሊ ድቃስ ዘይብሎም መዓልታት ኣሕሊፋ'ያ። ንሱ፡ ነቲ ዝነበረ ተቓውሞ እናስኣለ ዝተረኸበ ጋዜጠኛ ኮይኑ፡ ፖሊስ ኣሲሮምዎ። በዓል ቤታ ንሰለስተ መዓልታት ብፖሊስ ከም ዝተቐጥቀጠ ብምግላጽ \"እዚ ፍጹም ግህሰት ሰብኣዊ መሰል'ዩ\" ትብል። ኣብቲ መዳጎኒ ማእከል ኮይና ብፖሊስ ግህሰት ከም ዝተፈጸሞ ዝገልጽ በዓል ቤታ ኢቫን፡ \"ናብቲ መንደቕ ኣጸጊዖምና፤ ማሊያና ቀሊዖም ድማ ብበትሪ ሃሪሞምና\" ክብል ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጽአ ተዛሪቡ። \"ድሕሪኡ፡ ናብ መሬት ደርብዮምኒ፤ እናሃረሙ ድማ \"ንመን ኢኻ ትፈቱ?\" ኢሎም ይሓቱኒ። ክሳብ ሓደ ፖሊስ 'ንቤላሩስ ይፈቱ!' ዝብል ብዛዕባ እንታይ ይሓቱኒ ከም ዝነበሩ ኣይተረድኣንን\" ኢሉ። በዚ ዝሰግአት ያና ክትዛረብ ወሲና። \"ነቲ ህዝቢ ሓደ ነገር ክምህሩዎ ደልዮም፤ ናዕቢ ከልዕል ከም ዘይኽእል ማለት'ዩ። ግን ድማ ውጽኢቱ ከምቲ ዝተጸበዩዎ ኣይኮነን\" ኢላ። ሕጂ ኣብ ርእሰ ከተማ ቤላሩስ ሚንስክ እያ ዘላ። \"ኣብ ታሪኽ ቤላሩስ ከምዚ ዝበለ ዝሰመረ ነገር ርኢና ይንፈልጥን። ጠጠው ንምባል ዝኸብድ ይመስለኒ። ልክዕ ቤላሩስ ዝተወለደት ዓይነት ስምዒት'ዩ ዘለና\" ትብል ያና። ብዓርቢ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ጥቓ ዝተፈላለዩ ቤት ጽሕፈት ብምኻድ፡ ጋዜጠኛታት \"ነቲ ሓቂ ኣውጽኡ\" እናበሉ ይጠርዑ ነይሮም። ከምኣ ዝበሉ ፍሉጣት ጋዜጠኛታት ድማ፡ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ዓመጽን ፖሊስ ዘብጽሖ ዘሎ በደልን ሽፋን ክህቡ ቀጺሎም ኣለው። \"ብፍላይ ድማ ምስ በዓል ቤተይ ዝበጽሐና ማእሰርቲ ክሓስቦ ከለኹ፡ ምስቶም ዝቃወሙ ዘለው ሰባት እየ ዝሰማማዕ\" ትብል ያና። ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ርእሰ ከተማ ወጺኦም ናጻን ፍትሓውን መረጻ ክካየድ እንትሓቱ፡ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ኤስቲቪ ብውሑድ ምስሊ ኣሰንዩ ኣብ ቤላሩስ ዝተኻየደ ዓብዪ ተቓውሞ ኢሉ ብሓጺር ዜና ኣቕሪቡዎ። ንፕረዚደንት ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ ዝጠመተን ዘረባታቱ ዘካተተን ምድላው ግን 22 ደቓይቕ ተዋሂቡዎ ክቐርብ ተገይሩ። ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ ክትከታተልን \"ፕሮፖጋንዳ\" ዝብል ቃል ከም ዘይቕበል እትፈልጥን ያና ግን፡ ዋላ'ውን ከምዚ ኮይኑ ናብ ስርሓ ክትምለስ ትደሊ። \"ንመጻኢ ጽቡቕ ጋዜጠኝነት ክህልወና እየ ተስፋ ዝገብር። ህዝቢ ንኹሉ ኣብ ቴሌቪዥን ዝሰርሕ ሰብ ክጸልኦ ከሎ ግን ኣዝዩ'ዩ ዘሕምም\" ትብል። እዞም ኣብ ቀረባ ዝምዕብሉ ዘለው ኩነታት ድማ \"ተስፋ ዝህቡ\" ኢላ ትገልጾም። መሓዝኣ ጋዜጠኛ ታታኒያ ግን፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት እቲ ፕሬዝደንት መጻኢ ደቀይ ክጽልምት ክርኢ ኣይደልን ብምባል ንተነሓናሒት ስቬትላና ቲክሃኖቭሽካያ'ያ ድምጻ ሂባ። እቲ ፕረዚደንት 80 ሚኢታዊት ድምጺ ረኺቡ ዝብል ድማ \"ፍጹም ዝክኣል ኣይኮነን\" ብምባል ትነጽጎ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ሓድሽ፣ ታአማንን ናጻን መረጻ ክካየድ ትጠልብ። ክሳብ ሽዑ ግን ናብ ሃገራ ኣይትምለስን። \"እቲ ዝኸውን ዘሎ ኩሉ ቓንዛ ኣለዎ። ናብ ገዛ፣ ናብታ ብርኽቲ ቤላሩስ ክምለስ ይደሊ'የ\" ትብል እናነብዐት። \"ከምዚ ክገጥመኒ'ዩ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን። ከምዚ ክገብሩና'ዮም ኢሉ ዝሓሰበ ሰብ'ውን ኣይነበረን\"።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/53814951"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ፡ \"መራኸብቲ ሓፋሽ፡ ዳርጋ ቤንዚን እየን ዝንስንሳ ዘለዋ\" ዶክተር ዘነበ በየነ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ገለ ከባብታት ትግራይ ካብ ሓድሽ አወዳድባ ወረዳታት ዝነቐለ ተቓውሞ ኣጋጢሙ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ። ነቲ ክስተት ዓብዪ ሽፋን ዝሃበኦ፤ ኣብ ፌዴራል ዝርከባ ሚድያታት ኮይነን፡ እቲ ዘቕረባሉ መገዲ ግን ቅረታ ይፈጥር ኣሎ። ኢቢሲ፣ ዋልታ፣ ፈና ብሮድካስቲንግ፤ ፕሬስ ኤጀንሲን ኣዲስ ዘመንን፡ ዘቕረበኦ ጸብጻባት ወፍሪ ይመስል ተባሂሉ ተነቒፉ። ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ: ሚድያታት መንግስቲ ክልል ትግራይ'ውን ነቲ ክስተት ድሒረን እየን ኣቓሊሐንኦ። መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ትካል በዓል መዚ ብሮድካስት፡ ኣብ ልዕሊ ሕሶት ነዚሐን ዝበለን ሚድያታት ፌዴራል ስጉምቲ ክወስድ ሕቶ ኣቕሪቡ ኣሎ። ብርግጽ፡ እቲ በዓል መዚ ንምዝርራብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን። ሓለፍቲ ፓርቲ ብልጽግና ድማ፡ እቲ ክስተት፡ ንህወሓት ካብ ስልጣን ንምውራድ ዝዓለመ ህዝባዊ ናዕቢ ከምዝኾነ እዮም ገሊጾምዎ። ብፍላይ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፓርቲ ብልጽግና፡ ኣይተ አወሉ ኣብዲ፡ ኣብ ፌስ ቡክ ገጹ: ናይ ካሊእ እዋን ምስልታት ስለዝተጠቐመ ሓያሎ ነቐፌታ ይበጽሖ ኣሎ። ብሓፈሻ፡ እቲ ጸብጻባትን መግለጺታትን፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ክልል ትግራይን ዘሎ ምስሕሓብ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ይመርሕ ከምዘሎ ብዙሓት ይዛረቡ። ዶክተር ዘነበ በየነ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሚሲሲፒ [ኣመሪካ] መምህር ጋዜጠኝነት እዩ። ኣብ ጉዳይ ሚድያን ሃራዊ ህንጸትን ኣመልኪቱ ዓᎁቕ መጽናዕቲ ዘካየደ ኢትዮጵያ ምሁር እዩ። ከምዚ ዓይነት ኣጸባጽባን ኣከያይዳን ሚድያት መንግስቲ 'እንታይ የስዕብ ይኸውን?' ክብል፡ ቢቢሲ ንዶክተር ዘነበ ገለ ሕቶታት ኣቕሪብሉ ኣሎ። ቢቢሲ፡ ኣብ ትግራይ ምስ ሓድሽ ኣወዳድባ ወረዳ ተዛሚዱ ዝተልዓለ ተቓውሞ፡ ብሚድያታት ፌዴራል መንግስትን ማሕበራዊ ሚድያን፡ ካሊእ መልክዕ ሒዙ ተባሂሉ እዩ ዝንቀፍ ዘሎ'ሞ፡ ናትካ ትዕዝብቲኸ እንታይ እዩ? ዶ\/ር ዘነበ፡ ሓደ ፍጻመ ናብ ጎንጺ ከምርሕ ዝገብሮ ዝተጸብጸበሉ መንገዲ እዩ። ነዚ እዩ ድማ ኣዝዩ ጥንቃቐ ዝሓትት። ብቐዳምነት፡ እቲ ዝተልዓለ ሕቶ ኣብ ምፍታሕ: ሚድያ ዓርሱ ዝኸኣለ ዓብዪ ግደ ከምዘለዎ ክኣምን ኣለዎ። ይኹን'ምበር ከምቲ ዝበልካዮ፡ ኣብ ስሩዕ ሚድያ ኾነ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝቐረበሉ መገዲ፡ ነንሕድሕዶም ዝተዋቕዑ ነገራት እዩ ዘባርዕ ዘሎ። ነቲ ህዝቢ ዝበኣሰ ዘደናግር እዩ። ሓላፊነት ዝጎደሎ ተግባር ዝተፈጸመ እዩ ዝመስለኒ ። ንኣብነት ናትኩም ዝሰራሕኽምዎ ይርእይ ነይረ። ርክብ ህዝቢ እቲ ክልል ዝኾነ ዝተፈጥረ ነገር ከምዘየለ እዩ ገሊጹ። ንስኻትኩም ግን ኣብቲ ክልል ብተጨባጥ ኣብ መሬት ዘሎን፡ እቲ ዝበሃል ዘሎን ነጺርኩም ኣቕሪብክምዎ። እቲ ዝቐረበ ሕቶ መንግስቲ እቲ ክልል ክፈትሐሎም ዝደሊዩዎ'ዶ ወይስ፡ መንግስቲ ንምውራድ እዩ፤ ኣብሪህኽምዎ። ሓቂ ንምዝራብ መብዛሕተኦም ሚድያታት ሓላፍነት ዝጎደሎ ዝሰርሑ እዩ ዝመስለኒ። በዓል መዚ ብሮድካስት ኮነ ካሊእ መንግስታዊ ኣካል፡ \"እቶም ዝተሰርሑ ዜናታት ሰላም እቲ ሕብረተሰብ ዝዘርጉ ድዮም ኣይኮኑን\" ኢሉ ክምርምሮም ኣለዎ። እቲ ጌጋ ዝሰርሐ ድማ ክእረምን ብሕጊ ክሕተትን ኣለዎ። 'እገለ ዝተብሃለ ሚድያ'ዚ ጌጋ ሰሪሑ' ኢለ ስም ጸሪሐ ክዛረብ ዘኽእል ኣብ ኢደይ ዳታ የብለይን። እንተኾነ፡ ብሓፈሻ ካብቲ ዝረእኽዎን ዝሰማዕኹዎን ካብ ሓደ ስሩዕ ሚድያ ዘይትጽበዮ ስራሕ እዩ ተሰሪሑ። እዚ ኣብ ክልላት ኮነ ኣብ ኣዲስ አበባ ኣብ ዝነቖጣ ሚድያታት ዝተርአየ እዩ። ዝኾነ ይኹን ሚድያ፡ ጥሉል ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ናይ ምቕራብ ሓላፍነት ኣለዎ። እዚ ኣብ ዘይገብረሉ ሰዓት፡ ኣብ ህዝቢ ምድንጋራት ይፍጠር፤ ነዃላት ይፍጠሩ። ሕሶት ይጋነን። ካብኡ ድማ፡ ተበለጽቲ ኣለዉ፡ እዚ ዝጸብዮም ትኹረት ዝደልዩ። ነቲ ሕሶት ተቐቢሎም የንበድብድዎ። ህዝቢ ግን ሰላሙ ይስእን። እዚ ኣብ ብዙሕ ከባብታት ዝረአ ጸገም እዩ። እቲ ጸገም ኣብ ምፍታሕ መንግስቲ ፌዴራል ምስ ክልላዊ መንግስቲ ኮይኖም ተዋሂዶም ክሰርሑ ይግባእ። መራኸብቲ ሓፋሽ ግን፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ጸገም ዳርጋ ቤንዚን እየን ነስኒሰን። እዚ ፍታሕ ክኸውን ኣይከእልን። ነዚ እዩ ድማ፡ ብፍላይ ኣብ ሚድያ ዘለና ሰባት ክንጥንቀቕ ዝግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ዓለም ዝተኸሰቱ ዓበይቲ ጸገማት ብሚድያ ዝተወልዑ እዮም። ሓላፍነት ብዝጎደሎ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ'ቲ ሓድሽ ወለዶ ጸሊም ነጥቢ ገዲፍና ከይንሓልፍ ይሰግእ። ዶ\/ር ዘነበ፡ ብዙሕ እዩ። ንኣብነት፤ ኣብ ካሊእ ከባቢ ዝተፈጸሙ ነገራት ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝተፈጸመ ገይርካ ምቕራብ ኣዝዩ ሓላፍነት ዝጎደሎ ግብሪ እዩ። ናይ ሓደ ሚድያ ዓብዪ ሃብቱ፤ ተኣማንነት እዩ። ምንጪ ሓበሬታና መን እዩ? እቲ ሓበሬታኸ ሓቃውነቱ ክንደይ ዝኣክል'ዩ?፤ ብኸመይከ ንጥቀመሉ? ኢልካ ምሕታት የድሊ። ናይቲ ሕብረተሰብ ንቕሓት ምዕባይ ድማ የድሊ። እቲ ህዝቢ ከምዚ ሕሶት ዝነዝሑ ሚድያት ዝጥንጥኖም፡ ንቕሕቱ ምስ ዝፈጥር ጥራሕ እዩ። ሓደ ሚድያ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝተፈጸመ ሎሚ ተገይሩ ኢሉ ከቕርብ እንተሎ፡ ንግዚኡ ህዝቢ የደናግር 'ምበር ብቐጻሊ ዝጉዳእ ባዕሉ እዩ። ምኽንያቱ ውዒሉ ሓዲሩ፤ ህዝቢ ኣብቲ ትካል'ቲ ሚድያ ዘለዎ እምነት ስለዝሽርሸር እዩ። ዝኾነ ኾይኑ ግን፡ መንግስቲ ከምዚኦም ዓይነት ሓላፍነት ዘይስመዖም ትካላት ሚድያ ተሓተትቲ ክገብር ኣለዎ። ምኽንያቱ መንግስቲ ናይ ሓደ ህዝቢ ድሕነት ክሕሉ ይግደድ እዩ። ዶ\/ር ዘነበ፡ ጽቡቕ ሕቶ እዩ። እዚ ሕቶ ተደጋጊሙ ክለዓል እሰምዖ እየ። 'መነግስትስ ተለዊጡዋ ሚድያ ኸ?' ዝብል። ንምዃኑ፡ መንግስቲ ተለዊጡ ድዩ? ናይ ኩላትና ሕቶ እዩ። ርግጽ እዩ፤ ምምሕዳራዊ ለውጢ ተገይሩ እዩ። ካብ ኣይተ መለስ ናብ ኣይተ ሃይለማርያም ካብኡ ድማ ናብ ዶክተር ኣብዪ ናይ ስልጣን ስግግር ተገይሩ እዩ። ክንዝንገዖ ዘይግበአና ግና፡ ኩሎም መራሕቲ ኢህወዴግ ምዃኖም እዩ። ኣብ ዘበነ ዶክተር ኣብዪ፡ ክንግምቶም ዘይንኽእል ብዙሓት ለውጥታት መጺኦም እዮም። ብኡ ልክዕ፤ 'ሚድያኸ ተቐይሩ ድዩ?' ዝብል ግን ብዕሊ ክንፍትሾ ኣለና። ምኽንያቱ እቶም ጋዜጠኛታት ንሶም ባዕሎም እዮም። እቲ ዝጥቀምሉ መሳርሒ ድማ ንሱ እቲ ዝነበረ እዩ። እቲ ኣተሓሳስባ'ውን [ማይንድ ሴት] ውን እቲ ዝጸንሐ ነባር እዩ። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ባህሊ ኣይተቐየረን። ምኽንያቱ፡ እቲ ጋዜጠኛ ካብቲ ማሕበረሰብ እዩ ወጺኡ። ኣብቲ ሕብረተሰብ ዘሎ ፖለቲካዊ ባህሊ ተቐይሩዶ ኢልና እንተሓቲትና፤ ኣይፋሉን። እኳ ደኣስ፡ ብኢስዎ እዩ ዝርክብ። ኣብ ገለ ሚድያታት ብፍላይ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጸግዒ ሒዝካ ደንጎላ ምውርዋር እዩ ዝረአ ዘሎ። እቲ ደንጎላ ግን ናብ ህዝቢ እዩ ዝውርወር ዘሎ። ናብ ዓዲ አዩ ዝውርወር ዘሎ። ሓደ ሓደ ግዜ፤ ኩላትና ኢትዮጵያውያን ምዃንና ዝረሳዕና እዩ ዝመስለኒ። 'እንታይ ኢና ንገብር ዘለና፡ ናበይ ኢናኸ ነምርሕ ዘለና?'- ዝብል ኣጥቢቕና ክንሪኦ ኣለና። ከምቲ ቅድም ዝበልኩዎ፡ እቲ መንግስታዊ ምሕደራ ነቲ ፖለቲካዊ ባህልን ባህርን እንድሕር ዘይቐየሮ፤ እቲ ሚድያ ሓድሽ ነገር ከመንጩ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ለዋህነት እዩ። ኣብዚ ግዜ'ኮ፡ ኩሉ በብከባቢኡ ሓደ ብርቱዕ ሚድያ ኣለዎ ወይ ድማ ማሕበራዊ ሚድያ እዩ ዝተኣማመን። ስም ምጥቃስ ዘድሊ ኣይመስለንን፤ ብግልጺ ስለ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ኩነታት ኣብ እዋን እንተደኣ ዘይተዓርዩ፤ ጽባሕ ከቢድ ዋጋ ከኽፍለና እዩ። ዶ\/ር ዘነበ፡ ንኣብነት ኣብ ኬንያ ብ2007\/8 ኣብ ጽባሕ መረጻ ዝኾነ ንረአ። ኣብቲ እዋን ዝተወለዐ ዓሌታዊ ጎንጺ ቀንዲ ዘበራርዕዎ፤ ማዕኸናት ሬድዮ እየን። ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ወድዓዊ ኩነታት'ውን ካብኡ ዝፍለ ኣይኮነን። መንግስቲ እኹል ትኹረት ሂቡ ገለ እንተዘይገይሩ፡ ከቢድ ዋጋ ከኽፍለና እዩ። ስለዚ \"ኣብ ላዕሊ ናይ መንግስቲ ለውጢ ተገይሩ እዩ'ሞ ኩሉ ነገር ክቕየር እዩ፤ እቲ መገዲ ናብ ምድራዊት ገነት ክወስደና እዩ\" ኢልና ንሓስብ እንተሃሊና ንባዕልና ኢና ነታልል ዘለና። ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን፡ ሕዚ ስግኣት ኮይኑ ዘሎ ድማ ማሕበራዊ ሚድያ እዩ። ካሊእ ተሪፉ፡ ሚድያታት መንግስቲ፡ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዘሎ ምላሽ ክህባ ዝውዕላ እየን ዝመስላ። ኣብ ማይንማር፡ ዘጓነፈ ዓብዪ ናይ ዓሌት ምጽናት ፍጻመ፡ ብማሕበራዊ ሚድያ ከምዝተመርሐ ክንፈልጥ ኣለና። 'ኣብ ከባቢናኸ ሚድያታትና እንታይ እዮም ዝሰርሑ ዘለዉ?' ኢልካ ምሕታት የድሊ። ናትኩም ሚድያ፤ ኢዲቶርያል ነጻነት ስለዘለኩም ይመስለኒ፤ ንዝኾነ ጉጅለ ክትውግኑ ኣይረእኹን፡ ብዛዕባ ሓዳ ኣካታዓይ ዛዕባ ዝኾነ ሚዛናዊ ጸብጻብ እንድሕር ደልየ ናባኹም እየ ዝመጽእ። ንካልኦት'ውን ከም ኣብነት ክትኮኑ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ካልኦት ሚድያታት ግን፡ እቲ ጸገም ከምዘሎ እዩ። ወሃቢ ቃል ምዃን፤ ሓለፍትኻ ምፍራሕ፤ ናብ ሓደ ኣንፈት ምውሓዝ እዩ ዘሎ። ቢቢሲ፡ ሕዚ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ኣለዉ ዝበልካዮም ጸገማት መራኸቢ ብዙሃን ንምቅላል እንታይ ክግበር ኣለዎ ትብል? ዶ\/ር ዘነበ፡ ናይቲ ህዝቢ ባህጊን ትርግታ ልብን ክነዳምጽ ኣለና። ርግጽ ኣብቲ ሚድያ ዘለዉ: ሰባት ምዃኖም ኣይንረስዕ። ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ጌጋ ይሰርሑ እዮም። 'ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብኸመይ ኢና ብቑዕ ጋዜጠኛ ክንፈጥር እንኽእል' ኢልና ንሕሰብ። ህንዲ እታ ዝዓበየ ዲሞክራሲ ሃኒጻ ዘላ፡ ካሊእ ሚስጢር ኣይኮነን፤ ምዕቡል ሚድያ ስለዘለዋ እዩ ። ኣብ ጋና፣ ኬንያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ ብተነጻጻሪ ዘለው ሚድያታት፡ ዲሞክራሲ ንምህናጽ ኣገልጊሉ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ'ውን፡ ዲሞክራሲን ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰልን ክረጋገጽ እንተደሊና ሚድያ ክንቅይሮ ኣለና። ዓቕሚ እቲ ጋዜጠኛ ንምብራኽ ተደጋጋሚ ስልጠና ምሃብ የድሊ። ጋዜጠኛታት ዓቕሞም ክዓቢ እንተገይርና፡ ኣድላይ ዝበሃል መሳርሒ እንተኣቕሪብናሎም ዘይቅየር የለን። እዚ ኩሉ ተገይሩ ዘይቅየር ሰብ እንተሎ ግን፡ ኣብ ኬንያ ሓደ ዝተለምደ ነገር ኣሎ። 'ኔሚነግ ኤንድ ሼሚንግ' ዝብልዎ። ጋዜጠኛ ኮነ ፖለቲከኛ፡ ዘይኮነ ነገር ነገር እንትገብር ኣየሕልፍዎን። ህዝቢ ምስ ህዝቢ ከጋጩ ኣይፈቕድሉን። ሱቕ ኢሎም ኣይዕገስዎንዎን። ስሙ ጸሪሖም የዋርድዎ። ኣብ ኢትዮጵያ'ውን ከምዚ ክልመድ ኣለዎ። ሎሚ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዘጥቅዕ ሚድያ እንተሃልዩ፤ 'ወዲ ተባዕታይ'የ ኣይምልከተንን' ኢልና ንሓልፎ እንተኾይንና፡ ጽባሕ ናባና እንትመጽእ ዝኾነ ኣካል ክዓግቶ ኣይክእልን። ስለዚ ኣብ ሓደ ወገንና ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ኣብ ኩላትና ከምዝበጽሐ ኢና ክንቆጽሮ ዘለና። ስለ ሓቅን ስለ ደቅናን ክንብል፡ እቲ ሚድያ ክነዓርዮ እንተዘይክኢልና፤ እዛ ሃገር ጽባሕ ዘይክንረኽባ ንኽእል ኢና። ምኽንያቱ፡ እቲ ሕዚ እንኸዶ ዘለና ኣንፈት ሐደገኛን ሕማቕን እዩ። 'ምበርከ ኢትዮጵያውያን ደቂ ሓንቲ ሃገር ዲና' ኣብ ዘብል ኩነታት ኢና ዘለና። እቲ ዝግበር ዘሎ ኩሉ፡ ካብ ልቢ ዝወሐጡ ሰባት እትጽበዮ ኣይኮነን።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52810777"} {"headline":"ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኬንያዊ ጋዜጠኛ ያሲን ጁማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወጽእ ኣዚዙ","content":"ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኬንያዊ ጋዜጠኛ ያሲን ጁማ ብህጹጽ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወጽእ ኣዚዙ። ጋዜጠኛ ያሲን ጁማ ምስ ቕትለት ስነ ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝተሓሓዝ ኣብ መንበሪ ገዛ ጃዋር መሓመድ ኣብ ቀይዲ ካብ መንጎ ዝኣተው'ዩ። ቅድም ኢሉ፡ ቤት ፍርዲ ፌደራል ልደታ ብነሓሰ ሓደ 2012 ኣ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ኣብ ዝውዓሎ መጋብእያ ያሲን ጁማ ሓዊሱ 11 ሰባት ናይ ዋሕስ መሰሎም ተኸቢሩሎም ብዋሕስ ክወጽኡ ወሲኑ ነይሩ። እንተኾነ፡ ፖሊስ ያሲን ጁማ ብኻልእ ገበን ጠርጢረዮ'የ ስለ ዝበለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሕ ተገይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ፡ ያሲን ጁማ ብኮቪድ-19 ከም ዝተለኸፈ ተገሊጹ ነይሩ። ጠበቓ ያሲን ኣቶ ከድር ቡሎ ንቢቢሲ ከም ዝበሎ፡ ያሲን ብኮቪድ-19 ስለ ዝተለኸፈ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኬንያ ኣብ ዝተዳለወ ቦታ ንክጸንሕ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝወጽእ ተዛሪቡ። እቲ ጋዜጠኛ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንክወጽእ ተሓለቕቲ ትካላት ጋዜጠኛታት ጻውዒት ክገብሩ ጸኒሖም እዮም። ድሕሪ ቕትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ንያሲን ጁማ ሓዊሱ ጋዜጠኛታት ኦኤምኤን ኣባላት ተቓወምቲ ውድባትን ኣብ ትሕቲ ከምዝኣተው ይፍለጥ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53832898"} {"headline":"ኤርትራ ንውሳነ ባይቶ ኣውሮጳ \"መርዛም\" ክትብል ምላሽ ሂባትሉ","content":"ባይቶ ኣውሮጳ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ዝርከብዎም ናይ ሕልና እሱራት ክፍትሑ ምጽውዑ፡ \"መርዛም\" ምትእትታው ክትብል ኤርትራ ግብረመልሲ ሂባትሉ። እቲ ባይቶ ትማሊ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ኩሎም እቶም ኣብ መስከረም 2001 ዝተኣስሩ ፖለቲከኛታትን ናይ ሕልና እሱራትን ክፍትሑን ብፍላይ ድማ ሽወደናዊ ኤርትራዊ ዜጋ ዳዊት ኢሳቕን ካልኦት ሓቢሮም ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታትን ክፍትሑ ጠለብ ኣቕሪቡ'ሎ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሎሚ ናይ ምሸት ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ እቲ ውሳነ፡ \"ግናይ [ቅድመ]-ኩነት ምስግዳድ\" ዝፍትን'ዩ ክብል ተቓውሞኡ ገሊጹ። \"እዚ ስግንጢር ትሕዝቶን ቅኒትን ዘለዎ ውሳነ፡ ካብቲ [እቲ ባይቶ] ን20 ዓመታት ዝተኸተሎ ዝፈሸለ 'ናይ ስርዓት ለውጢ' ፖሊሲታት ካብ ዘይምስላጡ ዝተበገሰ'ዩ። ኣብቲ ንኤርትራ ዝምልከት ወሳነ ባይቶ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ንስዊድናዊ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ክትፈትሖ ጸዊዑ'ሎ። ብተወሳኺ፡ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ፡ ዳዊት ኣበይ ከምዘሎ ብቕልጡፍ ሓበሬታ ክህቡን፡ ከምኡ'ውን ንወከልቲ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ንመንግስቲ ሽወደንን ክርእይዎ ከፍቅድን፡ ንጥዕናዊ ኩነታቱ ብዝምልከት ዘድልዮ ዘበለ ሓገዝ ክግበረሉ ጻውዒት ኣቕሪቡ። ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ሱር ሰዲዱ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ድሕሪ ምኹናን፡ እቲ መንግስቲ፡ ንተቓወምቲ፡ ጋዜጠኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ሰላማውያን ሰባትን ምእሳር ከቋርጾ ኣተሓሳሲቡ። እቲ ባይቶ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ከም መሻርኽቲ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ዘጣዕስ ኩነታት ንምፍታሕን፡ ዓለማዊ ክብርታት ደሞክራስን መሰላት ደቂ-ሰባትን ንክኽበር ክስርሕ ተማሕጺኑ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54486459"} {"headline":"ንገዛእ ርእሳ ብሓዊ ዘቃጸለት ሩስያዊት ጋዜጠኛ ህይወታ ሓሊፉ","content":"ኣብ ከተማ ኒዚኒይ ኖቭጎሮድ፡ ኣብ ፊት ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ንገዛእ ርእሳ ብሓዊ ዘቃጸለት ጋዜጠኛ ህይወታ ሓሊፉ። ጋዜጠኛ ኣይሪና ስላቪና፡ ኣቐዲማ ብፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሐቶ መልእኽቲ \"ንሞተይ ንፌደሬሽን ሩስያ ተሓታቲ ክትገብርዎ እልምነኩም\" ኢላ። ፖሊስ ምስ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ 'ኦፐን ሩስያ' ዝተሓሓዝ ሰነዳት ንምርካብ፡ መንበሪ ገዝኣ ከም ዝፈተሹን ኮምፕዩተራትን መረዳእታን ከም ዝወሰዱን ስላቪና ብሓሙስ ተዛሪባ ነይራ። ኣብ ጎደና ንገዛእ ርእሳ እናኣቃጸለት ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ኣሎ። ኣብቲ ቪድዮ፡ ሓደ ሰብኣይ ነቲ ሓዊ ንምጥፋእ ናብ ሓንቲ ሰበይቲ ክጎዪን ብክዳኑ ገይሩ ከጥፍኦ ክፍትን እንከሎ ንሳ ደፊኣ ክተውድቖ ይርአ። ኣብ መወዳእታ በቲ ሓዊ ተጎቢጣ ሃለዋታ ኣጥፊኣ ክትወድቕ ትረኣ። ኮሚተ መርመራታት ሩስያ፡ በዓልቲ ሓዳርን ኣደ ሓንቲ ቆልዓን ዝነበረት ኣይሪን ስላቪና ከም ዝሞተት እኳ እንተ ኣረጋገጸ ምስቲ ኣብ መንበሪ ገዛ እታ ጋዜጠኛ ዝተኻየደ ፈተሻ ምትእስሳሩ ግና ነጺግዎ። ኣይሪና 'ኮዛ ፕረስ' ናይ ዝተባህለ ናይ ዜና መርበብ ሓበሬታ ኤዲተር እያ ነይራ። ጭርሖ እቲ መርበብ ሓበሬታ \"ዜናን ትንታነን\" ከምኡውን \"ብዘይምመያ\" ዝብል እዩ። እቲ መርበብ ሓበሬታ ሞት እታ ጋዜጠኛ ድሕሪ ምርግጋጹ ካብ ዓርቢ ንደሓር ኣገልግሎት ይህብ የሎን።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54400239"} {"headline":"ቅትለት ኣኽሱም፡ ናይ ኣኽሱም ቀሺ እየ ኢሉ ዘታለለ ሰብ ኣሎ ድዩ?","content":"ተጣባቒ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ብወተሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ተፈጺሙ ዝበሎ ቅትለት ብዝምልከት ጸብጻብ ምስ ኣውጸአ፡ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ሓደ ተቐማጢ ኣመሪካ ዝኾነ ውልቀ ሰብ ናይ ኣኽሱም ቀሺ እየ ኢሉ ቃል ሂቡ ብምባል ሓቂ ዘይኮነ ሓበሬታ ከዋዓውዑ ቀንዮም፡፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን \"ኣብቲ ጸብጻብ (ኣምነስቲ ዘውጸኦ) ዝተጠቐሰ ምንጪ ቀሺ ዘይኮነስ፡ ኣብ ቦስተን ዝቕመጥ መታለሊ እዩ’’ ዝብል መግለጺ ሂቡ፡፡ መንግስታዊ ማዕከን ዜና እውን ንሓደ ጋዜጠኛ ብምጥቃስ ነቲ ውልቀ ሰብ ‘‘መደናገሪ’’ ክብል ገሊጽዎ፡፡ ኣብ ካልእ ዜና ድማ እቲ ኣብ ቪድዮ ዝተራእየ ውልቀ ሰብ ኣማኒ ናይ'ታ ቤተክርስትያን እውን ከምዘይኮነ ኣባ ጴጥሮስ ንዝተባህሉ መራሒ ኦርዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኒውዮርክ ብምጥቃስ ኣቃሊሑ፡፡ እቲ ዛንታ፡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣመሪካ ፍጹም ኣረጋ'ውን ኣብ ትዊተር ገጹ ኣካፊልዎ ነይሩ፡፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ምፍራይ እቲ ኣዘራራቢ ኮይኑ ዝቐነየ ቪድዮ ዝኾነ ተሳትፎ ከምዘይብሉ ንቢቢሲ ሓቢሩ ኣሎ፡፡ ንምዃኑ እንታይ እዩ ኣጓኒፉ? ቀሺ ዘይኮነ ግን ቀሺ እየ ኢሉ ዘታለለ ሰብከ ኣሎ ድዩ? ኣኽሱም ዝምልከት ሰነዳዊ ቪድዮ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ኣምነስቲ ጸብጻብ ኣብ ዘቕረበሉ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዩትዩብ ካብ ዝተለጠፈ ሰነዳዊ ቪድዮ ተቖንጪሎም ዝተወሰዱ ክፋላት ኣብ ማሕበራዊ ገጾም ክዝርግሑ ቀንዮም፡፡ ገሊኦም ሚካኤል በርሀ ናይ ዝተባህለ ነባራይ ቦስተን ፎቶን ቪድዮን ብምልጣፍ፡ \"ቀሺ ዘይኮነ ከሎ ቀሺ እየ ኢሉ መስኪሩ\" ዝብል ጽሑፍ ዘለዎም ቪድዮታት ዘርጊሖም፡፡ ነቲ ቪድዮ ዘዳለዉ ሰባት ግንተዋሳኣይ ከምዝኾነ እዮም ዝገልጹ፡፡ ዕላማ ናይ'ቲ ቪድዮ ‘‘ነቶም ግዳያት ድምጺ ንምዃን’’ ከምዝኾነን፡ እቲ ቪድዮ ተዋስኦ ከምዝኾነ እውን ብግልጺ ከምዝገለጹን ይዛረቡ፡፡ ኣብ'ቲ ነዊሕ ቪድዮ ‘‘እቶም ታሪካት ብኻልኦት ሰባት ተደጊሞም ከምዝቐረቡ’’ ዘመልክት መግለጺ ኣለዎ፡፡ እዚ ማለት እቶም ኣብቲ ቪድዮ ዘለዉ ሰባትን ድምጺታትን ናይ ባዕሎም እቶም ግዳያት ዘይኮኑስ ተዋሳእቲ እዮም፤ ኣብ ገሊኦም መፋለጢታት እቲ ቪድዮ ድማ እዚ መጠንቀቕታ ተጻሒፉዎም እዩ፡፡ እቲ ጸብጻብ ቅድሚ ምውጽኡ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ዝተፈነወ መላለዪ ሓጺር ቪድዮ ግን ብዛዕባ እዚ ዝሓብሮ ነገር የለን፡፡ ድሕሪ ገለ ምስሊታትናቲ ቀሺ ኮይኑ ዝዋሳእ ሰብ እዩ ዝሓልፍ፡፡ ‘‘ሽመይ ቀሺ ወልደ ማርያምም እዩ፡፡ 26 ሕዳር 202፡ ኣብ ቤተክርስትያንና ቅድስቲ ማርያም ጽዮን ኣኽሱም ኣብ ዓሚቕ ጸሎት ኔርና’’ ይብል፡፡ ኣብ ገለ ክፋል ድማ ‘‘ንኹለና ተኲሶም ወቒዖምና፤ ደው ክነብሎም ግን ኣይከኣልናን’’ ክብል ይስማዕ፡፡ ነቲ ኣዘራራቢ ቪድዮ መን እዩ ኣሰናዲእዎ? እቲ ቪድዮ ንኸስቢ ዝተጣየሰ ከምዘይኮነ ብዝገልጽን ኣብ ትግራይ ኣተኲሩ ዝሰርሕን ትግራይ ሚድያ ሃውስ እዩ ናብ ዩትዩብ ተጻዒኑ፡፡ ነቲ ቪድዮ ዘፍረዩዎ ድማ፡ መርሃዊ ወልስ-ቦግን፡ ልዋም ግደይን ራህዋ ግደይን ዝተባህላ ደቂ ኣንስትዮ ዝመስረተኦ ‘ስታንድ ዊዝ ትግራይን’ እዮም፡፡ መርሃውን ልዋምን ድማ ኣለይቲ እቲ ቪድዮ ከምዝኾኑ ተጠቒሱ ኣሎ፡፡ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝቐነየ ዓውዓው መንቀሊ ዝኾነን ከም ቀሺ ኮይኑ ዝተዋሰአን ሚካኤል በርሀ'ውን አብ ተሳተፍቲ ተጠቒሱ ንረኽቦ፡፡ መርሃዊ፡ እቲ ቪድዮ ኣብ ቦስተን ብዝነብሩ ተጋሩ ከምዝተዳለወን ሚካኤለ በርሀ እውን ኣተሓባባሪ ማሕበረሰብ ከምዝኾነን ኣብ ፌስቡክ ጠቂዑ ነይሩ፡፡ ‘‘ግልጺ ክኾነልኩም፡ ሚካኤል በርሀ ቀሺ ኣይኮነን፡፡ ይዋሳእ እዩ ነይሩ’’ ብምባል ነቲ ዝቐረበ ተቓውሞታት መልሲ ሂቡ፡፡ ብተወሳኺ ድማ ‘‘ሆሊውድ ከምዚኦም ዓይነት ነገራት ኩሉሻብ ይሰርሕ እዩ፡፡ ሆሊውድ ናይ እየሱስ ክርስቶስ ፊልሚታት ከምዝሰርሕ ትፈልጡ እንዲኹም? እየሱስ ክርስቶስ መሲሎም ይሰርሑ ንሱ ግን ኣይኮኑን፡፡ ኣምሲልካ ምስራሕ እዩ’’ ብምባል ገሊጹ፡፡ ልዋም ብወገና እቲ ቪድዮ ነቶም ድምጾም ከስምዑ ዘይከኣሉ ግዳያት ድምጺ ንምዃን ከምዝተዳለወን በቲ ካብ መንግስትን ሃየስትን ዝተውሃበ ግብረ መልሲ ከምዝተገረመትን ገሊጻ፡፡ ነቲ ለካቲት 26 ክፍነው እዩ ዝብል መላለዪ፡ ከም ሙሉእ ገይሮም ሓሲቦምዎ ክኾኑ ከምዝኽእሉ እትገልጽ ልዋም ‘‘ናይ ማይክ (ሚካኤል በርሀ) ፎቶ ብምውሳድ፡ ረኺብናዮ፤ ኣብ ቦስተን እዩ ዝነብር፤ ኣብቲ እዩ ዝሰርሕ ቀሺ ኣይኮነንነ ወዘተ ኢሎም፡፡ ተቐቲሉ ግን ብህይወት ኣሎ ገለ ዝብሉ ርእይቶታት እውን ተዋቦሂም’’ ኢላ፡፡ ራህዋ ብወገና ‘‘ካብቶም ዘንበብኩዎም ርእይቶታ ዘስሐቐኒ፡ እቲ ቀሺ ቆርበቱ ንምክንኻና ዝጥቀሞ ዓይነት ቅብኣት ዶ ምሓበርኩምና ዝብል እዩ’’ ኢላ፡፡ እቲ ሰነዳዊ ፊልም ምስ ኣምነስቲ ዘራኽብ ኣለዎዶ? መርሃዊ እቲ ንሳቶም ዝፈነውዎ ቪድዮ ምስ ጸብጻብ ኣምነስቲ ምግጣሙ፡ ‘‘ናይ ኣጋጣሚ’’ ከምዝኾነን ኣምነስቲ ሪፖርት ከውጽእ ምዃኑ ኣቐዲሙ ሓሬታ ከምዘይነበሮምን እዩ ዝገልጽ፡፡ ወሃቢ ቃል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል እውን ትካሎም ምስ'ቲ ቪድዮ ዘራኽብ ከምዘይብሉ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡ ወሃቢ ቃል ኮነር ፎርቹን ‘‘ኣምነሰቲ ኢንተርናሽናል ምስ'ቲ ቀሺ ኮይኑ ዝተዋሰአ ሰብ ይኹን ምስ ካልኦት ኣፍረይቲ እቲ ቪድዮ ተራኺቡ ኣይፈልጥን፤ ከም ምንጪ እውን ኣይተጠቐምናን’’ ኢሉ፡፡ ‘‘ተንተንቲ ሽርሒ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሓቅነት ዘይብሉ ርእይቶ ክሳብ ዝህቡሉ እቲ ቪድዮ ከምዝተሰርሐ እውን ኣይንፈልጥን ኔርና፡፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ እውን ነዚ ወሲዱ ምቅልሑ ኣገሪሙልና እዩ’’ ኢሉ፡፡ ራህዋ ግደይ ብወገና፡ ገለ ካብቶም ዛንተኦም ኣብ'ቲ ሰነዳዊ ፊልማ ዝተዘንተወሎም ግዳያት ምስክርነቶም ንኣምነስቲ ሂቦም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ብምግላጽ፡ እቲ ዝገበርዎ መጽናዕቲ ዓሚቕ ምንባሩ ከምዘመላኽት ትዛረብ፡፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ቪድዮ ዝተገበረ ወፍሪ ጠቐነ፡ ኣቓልቦ ንምልዋጥ ዝተገበረ ከምዝኾነ እትገልጽ ልዋም ግደይ፡ እንተኾነ ዚያዳ ናህሪ ከምዝፈጠረሎም ገሊጻ፡፡ ‘‘ሐዚ ነቲ ናህሪ ክንቅጽሎ ጥራይ እዩ ዘለና’’ ኢላ፡፡","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/56250774"} {"headline":"ኤርትራ ንስዊድናዊ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክትፈትሖ ተሓቲታ","content":"ሎሚ ሓሙስ፡ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኒካራግዋን ስዑዲ ዓረብን ብዘሎ ጃምላዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ሰለስተ እማመታት ኣሕሊፉ። ባይቶ ኤውሮጳ፡ ኩሎም እቶም ኣብ መስከረም 2001 ዝተኣስሩ ፖለቲከኛታትን ናይ ሕልና እሱራትን ክፍትሑን ብፍላይ ድማ ሽወደናዊ ኤርትራዊ ዜጋ ዳዊት ኢሳቕን ካልኦት ሓቢሮም ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታትን ክፍትሑ ጠለብ ኣቕሪቡ። ብተወሳኺ፡ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ፡ ዳዊት ኣበይ ከምዘሎ ብቕልጡፍ ሓበሬታ ክህቡን፡ ከምኡ'ውን ንወከልቲ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ንመንግስቲ ሽወደንን ክርእይዎ ከፍቅድን፡ ንጥዕናዊ ኩነታቱ ብዝምልከት ዘድልዮ ዘበለ ሓገዝ ክግበረሉ ጻውዒት ኣቕሪቡ። ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ሱር ሰዲዱ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ድሕሪ ምኹናን፡ እቲ መንግስቲ፡ ንተቓወምቲ፡ ጋዜጠኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ሰላማውያን ሰባትን ምእሳር ከቋርጾ ኣተሓሳሲቡ። እቲ ባይቶ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ከም መሻርኽቲ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ዘጣዕስ ኩነታት ንምፍታሕን፡ ዓለማዊ ክብርታት ደሞክራስን መሰላት ደቂ-ሰባትን ንክኽበር ክስርሕ ተማሕጺኑ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት እቲ ባይቶ ንሕማቕ ኣተሓሕዛ እቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣትሪሩ ይኹንን። ብመሰረት ጸብጻብ ሂዩማን ራይት ዎች ካብ ወርሒ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት ኣትሒዙ፡ ካብ ሰሜን የመን ብሓይልታት ሒቱ ብሓይሊ ዝተሰጉ ኣስታት 30ሽሕ ዝኾኑ ቖልዓ ሰበይትን ነብሰ ጾራትን ዝርከቡዎም ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ብጃምላ ተኣሲሮም ኣለው። ኣባላት ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኩሎም እቶም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ተኣሲሮም ዘለው ቖልዓ ሰበይቲ ዝርከቡዎም እሱራት ብቕልጡፍ ክፍትሑ ይጽውዕ። ንኹሎም እቶም ካብ ቦታ ውግእ ብሑቲ ዝተሰጎ ስደተኛታት ኣህጉራዊ መለክዒ ናብ ዘለዎ ውሑስ መቐበሊ ማእከል ክወስዶም ኣተሓሳሲቡ። ኣብ መወዳእታ ስዑዲ ዓረብ፡ ንኹሉ ኣብ ቤት ማእሰርትታታ ዘጋጥም ዘሎ ዘይንቡር ኣተሓሕዛ ክትእርሞን ንኹሎም ስነ-እአሙራውን ኣካላውን ክንክን ክግበረሎም ይጽውዕ። ሕጊ ኒካራጓ ኣብ ልዕሊ \"ወጻእተኛታት ልኡኻት\" ኣባላት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ሃገራዊ ጉባኤ ኒካራጕዋ ነቲ ኣብ ልዕሊ \"ወጻእተኛታት ልኡኻት\" ዝጸንዐ ዘይቅዋማዊ ሕግን መምርሕን፡ ከምኡ እውን ነቲ ፍሉይ ናይ ሳይበርን ናይ ጽልኢ ገበንን ሕጊ ክነጽጎ መጽዋዕታ ኣቕሪቡ። እቲ ጽሑፍ ከም ዘመልክቶ፡ እዚ ሕግታት እንተጸዲቑ፡ መንግስቲ ዳንኤል ኦርቴጋ፡ ንጭቆናን ዓፈናን ተቃወምቱ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ነቶም ናይ ወጻኢ ደገፍ ዝረኽቡ ወልቀ ሰባትን ትካላትን ክጥቀመሉ'ዩ። እዚ ኸኣ ንዘይተኣደነ ቁጽሪ ህዝቢ ግዳይ ናይዚ ዝመርሕ ዘሎ ስርዓት ክገብሮን፡ ራዕድን ጭቆናን ኣስዒቡ ናብ ዘይተደልየ ጸገማት ሰብኣዊ መሰላት ከምርሕ እዩ ይብል። እቲ ፓርላማ፡ ኣብዚ ብቐጻሊ ዘጋጥም ዘሎ ከቢድ ዓመጽን፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ተመርኲሱ፡ እዚ ጉባኤ ብቕልጡፍ፡ ሓደስቲ ውልቀ ሰባትን ክውንነታት ማለት ዳንኤል ኦርቴጋን ምኽትል ፕረዚደንት ሮዛርዮ ሙሪሎ ዝርከብዎም ኣብቲ ናይ እገዳ ዝርዝሩ ወሲኹ። እዚ ከኣ ንኒካራጕዋ ዝኾነ ጎድናዊ ሳዕቤን ከም ዘይብሉ ኣረጋጊጹ። ብተወሳኺ ወከልቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ናብ ኒካራጕዋ ብምኻድ ንኩነታት ናይታ ሃገር ክከታተሉ ነቶም ሰበስልጣን ብዝከኣሎም ክትሓባበርዎም ጻውዒት ኣቕሪቡ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54469636"} {"headline":"ኣብ ማሕዩር ዝርከብ ኤርትራዊ ገጣሚ ኣማኑኤል ኣስራት ተባዕ ጽሓፊ 2020 ተባሂሉ ተሰይሙ","content":"ኣብ ማሕዩር ዝርከብ ኤርትራዊ ጋዜጠኛን ገጣምን ኣማኑኤል ኣስራት ብፔን ኢንግሊዝ \"ተባዕ ጽሓፊ 2020\" ተባሂሉ ተረቚሑ። ትካል ናጽነት ምዝራብ ፔን ኢንግሊሽ፡ ካብ 2001 ጀሚሩ ኣብ ማሕዩር ንዝርከብ ንኤርትራዊ ጋዜጠኛን ገጣምን ኣማኑኤል ኣስራት ናይዚ ዓመት ሽልማት ክወሃብ ወሲኑ። ኣማኒኤል ብተዓዋቲ ፔን ፒንተርን ጎልደን ፔንን ዝኾነ ጀማይካዊ - ብሪጣኒያዊ ገጣሚ ሊንቶን ክዌሲ እዩ ተረቚሑ። ኣብቲ ስነ ስርዓት ሽልማት ሓው ንኣማኤል ኣስራት ተረኺቡ ነይሩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ገጣሚትን ጋዜጤኛን ይርግኣለም ፍስሃ፡ \"ኣበሳ ኵናት\" እትብለል ሓንቲ ካብ ግጥምታት ናይ ኣማኑኤል ኣስራት ኣንቢባታ። ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ዘመን ዝነበረ ኣማንኤል ኣስራት፡ ኣብ 2001 ብዝጽሕፎም ዝነበሩ ነቐፍቲ ጽሑፋት እዩ ብዝያዳ ዝልለ። ምስ ምዕጻው ብሕታዊ ሚድያ ኣብ መስከረም 2001 ኣብ ቀይዲ ዝኣተው 11 ጋዜጠኛታት ክሳብ ሕጂ ደሃዮም የሎን። ኣማኑኤል ኣስራት ኣብቲ እዋን ኤዲተር ጋዜጣ ዘመን እዩ ነይሩ። ገጣሚ ኣማኑኤል ኣስራት ዝተዓወቶ ሽልማት እንታይ'ዩ? ኣማኑኤል፡ ኣብ ናይ ስነ ጽሑፍ ሞያ ንጸቕጥን ምትእትታውን ተጻዊሮም፡ ሓለፋ ትብዓት ንዘርኣዩ ሰብ ሞያ ስነ ጽሑፍ ዝወሃብ ናይ \"ተባዕ ኣህጉራዊ ጸሓፊ\" ሽልማት ወሲዱ። ኣማኑኤል፡ ንማሕበራዊ ሕሰም፣ ኲናትን ሳዕቤናቱን፣ ፍቕርን ተስፋን ብዕምቆት ዝገልጹ ስራሕቲ የቕርብ ከም ዝነበረ መርመብ ሓበሬታ ፔን ኤርትራ ይጠቅስ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ 2001 ንብዙሐት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ግንባርን ከምኡ'ውን ንጋዜጠኛታትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ካብ ዘእትዎም ክሳብ ሎሚ ንኣስታት 19 ዓመት ወግዓዊ ክሲ ኣይመስረተሎምን። ጉዳዮም እውን ኣብ ንቡር መስርሕ ቤት ፍርዲ ኣይተራእየን። ሃለዋት ኣማኑኤልን መተኣስርቱ ጋዜጠኛታትን ኣይፍለጥን እዩ። ስድራ-ቤቱ ይኹን ፈተውቱን መቕርቡን ብዛዕባ ሃለዋቱ ደሃይ የብሎምን። መንግስቲ ኤርትራ እውን ክሳብ ሕጂ ብሃለዋት እዞም እሱራት ብወግዒ መግለጺ ሂቡ ኣይፈልጥን እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ መንግስቲ ኤርትራ ነዞም ናይ ሕልና እሱራት ኣብ ንቡር መስርሕ ቤት ፍርዲ ከቕርቦምን ኣድማሳዊ መሰል እሱራት ብምኽባር ስድራ-ቤቶም ክርእዩዎምን ክበጽሑዎምን ከፍቅድ ብቐጻሊ ክጽሕፉን ከዘኻኽሩን ጸኒሖም ኣለው። ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት እኳ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ፡ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኣማኑኤል ኣስራት ብሓባር ዝተኣስረ ሽወደናዊ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕን ሓቢሮም ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታትን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ክፈትሖምን ግቡእ ጥዕናዊ ክንክን ክግብረሎምን ጸዊዑ ኣሎ። እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ፡ \" ሓደገኛ ምትእትታው!\" ክብል ምላሽ ሂቡ ኣሎ። እቲ ንኣማንኤል ኣስራት ንሽልማት እዚ ዓመት ዝሓረዮ ጃማይካዊ - ኢንግሊዛዊ ሊንቶን ክዌሲ ጆንሰን፡ ኣብቲ ብኢንተርነት ዝተኻየደ ስነ ስርዓት \"ንሓደ ዜጋ ኣብ ፍጹም ግሉል ቤት ማእሰርት ንኣስታት 20 ዓመት ምሕያር መርኣያ ናይቲ ዝኸፍአ ምልካዊ ስርዓት'ዩ\" ክብል ተዛሪቡ። \"ከም መግለጺ ሕውነትን ዝምድናን ብቐንዱ ድማ ኣፍሪቃዊ መበቆል ከም ዘሎኒ መጠን፡ እዚ ሽልማት'ዚ ምስ ገጣሚ፡ ሓዳሚን ሃያሲን ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኣስራት ክካፈሎን ንኽብሩ ክጽውዕን መሪጸ\" ከም ዝበለ ፔን ኤርትራ ሓቢራ። ኣማኑኤል ኣስራት ኣብ ጥሪ 2016'ውንምስ ካልኦት ቱርካዊን ግብጻዊን ጸሓፍቲ ብፔን ኦክስፋም ሽልማት ሓርነት ሓሳብካ ምግላጽ ተሸሊሙ ነይሩ። ቅድሚ እውን ኤርትራዊ-ኢትዮጵያዊ ገጣሚ ለምን ሲሳይ፣ ቺማማንዳ ንጎዚ ኣዲቺ ዝርከቡዎም ትሸዓተ ጸሓፍቲ ተሸለምቲ ፔን ፒንተር ኮይኖም'ዮም።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/54520014"} {"headline":"ሚያንማር፡ ኣንግ ሳን ሱ ቺ ክትፍታሕ ጻውዒት ይስማዕ'ሎ","content":"ኣብታ ኣብ ደቡብ ምብራቕ ኤስያ እትርከብ፡ ሃገረ ሚያንማር ፡ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ስዒቡ፡ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወት መራሒት ኣንግ ሳን ሱ ቺ ክትልቀቕ ጻወዒት ይስማዕ ኣሎ። እታ መራሒት'ታ ሃገር [ኮንሰለር] ኣንግ ሳን ሱ ቺ ፡ ኣብ ቀይዲ ካብ እትውዕል ጀሚሩ ዛጊድ ኣይተርኣየትን ዘላ። ብኣማኢቲ ዝቑጸሩ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ድማ፡ ኣብ መንበሪ ገዛውቶም በወተሃደራት ምስ ተኸበቡ እዮም። ነዚ ስዒቡ፡ ዛጊድ ሰልፍታት ተቓውሞ ከምዘሎ ኣይጸብጸብ'ምበር፡ ኣድማ ክግበር ተጀሚሩ ኣሎ። ንኣብነት፡ ሰብ-ሞያ ሕክምና ስራሕ ጠጠው ምባል ጀሚሮም ኣለዉ። ብሰኑይ ኣጋ ወጋሕታ፡ ሰራዊት ሚያንማር ን መራሒት'ታ ሀገር፡ ኣን ሳን ሱ ቺን ካልኦት መራሕትን ኣብ ቀይዲ ብምእታው ስልጣን ተቖጻጺሩ። እቲ ዕልዋ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ መንጎ'ቲ ብሱ ቺ ዝምራሕ ሲቪላዊ መንግስትን ሰራዊት እታ ሃገርን ኣብ ጉዳይ ምርጫ ዝተፈጥረ ምትፍናን'ዩ ተወሲዱ። ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝተኻየደ ምርጫ፡ ብኣን ሳን ሱ ቺ ዝድገፍ ሰልፊ ሃገራዊ ሕብረት ንደሞክራሲ (NLD) ሓድሽ መንግስቲ ንምቛም እኹል መናብር ተዓዊቱ ነይሩ። ብሰኑይ፡ ሓድሽ ፓርላማ ቀዳማይ ኣኼባኡ ቅድሚ ምክያዱ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ብሰንኪ 'ኣብ'ቲ መረጻ ዝተፈጸመ ዝበሎ ምትላል ናብ ጠቕላሊ ናይቲ ሰራዊት ጀነራል ሚን ኣንግ ህሌንግ ከምዘሰጋገረ ኣፍሊጡ። ኣብታ ሃገር ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ ህጹጽ እዋን ከም ዝተኣወጀን ስልጣን ናብ ሰራዊት ምስግጋሩን መደበር ተለቪዥን ሰራዊት ኣዊጃ። ኣንግ ሳን ሱ ቺ ብወገና፡ ንደገፍታ ኣብ ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ \"ነዚ ከይትቕበልዎ\" ብምባል \"ኣንጻር እቲ ዕልዋ ተቓውሞታትኩም ኣስምዑ\" ኢላ። እታ በርማ ተባሂላ'ውን እትጽዋዕ ሚያንማር፡ ኣብ 2011 ደሞክራሲያዊ ለውጥታት ክሳብ ትጅምር ኣብ ትሕቲ ወታሃደራዊ ምሕደራ'ያ ትነብር ነይራ። ኣብ 2015፡ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ውድድር ዝተራእየሉ ምርጫ ምስ ተኻየደ ድማ፡ ብኣንግ ሳን ሱ ቺ ዝምራሕ ሰልፊ ብገፊሕ ተዓዊቱ፤ ንሳ ድማ ናብ መንበረ ስልጣን ደይባ። ውልቃዊ ናጽነታ ምእንቲ ደሞክራሲ ዝሰውአትን ኣንጻር'ቶም ስልጣን ዝተቖጻጸሩ ጀነራላት እታ ሃገር ደው ዝበለት ሓርበኛ ተቓላሲት ተባሂላ'ያ ትግለጽ። ኣብታ ሃገር፡ ኣብቶም ተኸተልቲ እምነት ቡድሂዝም ዝኾኑ ዝበዝሑ ዜጋታት ሰፊሕ ደገፍ ኣለዋ። ብዓይኒ ዓለም ግን፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ልዕሊ ዓሌት ሮሂንጋ ዝኾኑ ኣስላም እታ ሃገር ዝተፈጸመ ዓመጽ ግን እቲ ናይ ናይ ኖቤል ሽልማታን ኣብ ሕቶ ኣትዩ፡ ክብራ ድማ ተቐንጢጡ። ሕዚ ኣብ ሚያንማር እንታይ ይግበር ኣሎ? ሎሚ፡ ድሕሪ ሓደ መዓልታት እቲ ዕልዋ መንግስቲ፡ ጎደናታት እታ ሃገር ጸጥታ ዓሲልዎም እዩ ዝርከብ። ወተሃደራት ጥራይ ብመኪና ክንቀሳቐሱን እቲ ዝተነብረ ኣዋጅ እቶ እቶ ከፈጽሙን ይረአዩ ኣለዉ። እቲ ትማሊ ሰኑይ ተቛሪጹ ዝነበረ ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርኔትን፡ ሎሚ ንጎሆ ምስራሕ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ ጎደናታት ርእሰ ከተማ እታ ሃገር፡ ያንጎን ድማ፡ ሰባት \"እቲ ብተሪር ቃልስና ዘምጻእናዮ ስርዓት ዲሞክራሲ መሊስና ስኢናዮ ኢሎም\" ይሓርቁ ኣለዉ። ከም መገዲ ሰላማዊ ዘይምምእዛዝ፡ ንመንግስቲ ተቖጺሮም ዝሰርሑ ዶኳትር፡ ወይዘሮ ኣንግ ሳን ሱ ቺ እንተዘይተፈቲሓ፡ ካብ ጽባሕ ረቡዕ ጀሚሮም ስራሕ ጠጠው ናይ ምባል ኣድማ ከምዝጅምሩ ኣፍሊጦም እዮም። ካልኦት ሰብ ሞያ ሕክምና ድማ፡ ድሮ ሰላመዊ ተቓውሞ ዘርእዩ ምልክታት ሒዞም ክወጽኡ ጀሚሮም ኣለዉ። ዛጊድ ብውሕዱ ሓደ ዶክተር \"ከምዚ ዓይነት ዕልዋ መንግስቲ ክንዕገሶ ኣይብልናን\" ብምባል ስራሕ ጠጠው ኣቢሉ ኣሎ። ወዲ 47 ዓመት ዶክተር ናይንግ ህቱ ኣንግ፡ ንቢቢሲ ቡርመስ፡ \"ኣብ ትሕቲ ነዛ ሃገር ዘይግደስ ወተሃደራዊ መላኺ ኾይነ ክሰርሕ ስለዘይደሊ እየ ስረሐይ ጠጠው ኣቢለ ዘለኹ። ንዐኦም ክህቦም ዝኽእል እቲ ዝበለጸ ግብረ-መልሲ፡ እዚ እዩ\" ድማ ኢሉ። ካልእ ቢቢሲ ስሙ ክጸርሖ ዘይደለየ ወዲ 25 ነባሪ ድማ፡ \" ዓለም ከምዚ ክትገላበጠና ንዓና ሓድሽ ኣይኮነን። ግን ድማ ደጊምና ናብዚ ክንምለስ ኢና ዝብል ስምዒት ኣይነበረንን\" ኢሉ ተዛሪቡ። ጠቕላሊ ሓለቓ'ቲ ሰራዊት ስልጣንተቖጻጸሩ ኣሎ። ንሚኒስትራት ፋይናንስ፣ ዘቤታዊ ጉዳያትን ጥዕናን ሓዊሱ፡ 11 ሚኒስትራት ብኻልኦት ተተኪኦም ኣለዉ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55908523"} {"headline":"ሮይተርስ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ማእሰርቲ ጋዜጠኝኡ ተቓዊሙ","content":"ጋዜጠኛ በዓል ሞያ ካሜራ ትካል ወኪል ዜና፡ ሮይተርስ፡ ኩመራ ገመቹ፣ ኣብ ኣዲስ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ብፖሊስ ተወሲዱ ከምዝተኣስረ በዓልቲ ቤቱ ንቢቢሲ ኣረጋጊጻ። ሃዊ ደሳለኝ፡ ከምዝበለቶ፡ በዓል ገዝኣ ጋዜጠኛ ኩመራ ገመቹ: ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ብዕለት 15 ታሕሳስ 2013 ዓ\/ም እንትኸውን፡ ምኽንያት መእሰሪኡ ኣይተገለጸን። ኩመራ ዝሰርሐሉ ትካል ወኪል ዜና፡ ሮይተርስ ድማ፡ እቲ ጋዜጠኛ ብምንታይ ምኽንያት ከምዝተኣሰረ ሓቲቱ ዛጊድ ምላሽ ከምዘይረኸበ ገሊጹ። ሮይተርስ ንኣባላት ስድራኡ ጠቒሱ ከምዝጸብጸቦ ግና፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ጋዜጠኛ ዛጊድ ክሲ ኣይተመስረተን። ቢቢሲ፡ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ብዛዕባ እቲ ጋዜጠኛ ዝተኣሰረሉ ምኽንያት ንምፍላጥ ሓቲቱ፡ ጉዳዩ ኣብ ምጽራይ ከም ዝርከብ ብምግላጽ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣይሃበን። ኩመራ ገመቹ ንሮይተርስ፡ ከም ካሜራ በዓል ሞያ ኮይኑ ንነዊሕ ግዜ ዘገለግለ ጋዜጠኛ እዩ። ኩመራ፡ ዓርቢ 16 ታሕሳስ 2013 ዓ\/ ም ቤት ፍርዲ ዝቐረበ እንትኸውን፡ ፖሊስ ተወሳኺ ናይ 14 መዓልታት ናይ ምርመራ እዋን ሓቲቱ ከምዝተፈቕደሉ ምፍላጥ ተኻኢሉ። ሰኑይ 19 ታሕሳስ 2013 ዓ\/ም፡ ማእሰርቲ እቲ ጋዜጠኛ ኣመልኪቱ ዝወጽአ መግለጺ ሮይተርስ፡ የዘራርብ ዘሎ። ኩመራ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ፡ መጀመርታ በዕለት 7 ታሕሳስ፡ ክልተ ፖሊስ ምስ ወቕዕዎ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። ላዕለዋይ ኣሰናዳኢ'ቲ ትካል ሚድያ ሮይተርስ፡ ስቴፈን ጄ ኣድለር፡ \"ኩመራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ፍትሓዊ፣ ዘይሻራውን ናጻን ዝኾነ ጸብጻብ ክሰርሕ ዝጸንሐ፡ ኣባል ጋንታ ወኪል ሮይተርስ እዩ። ኩመራ፡ ስርሑ ንዝኾነ ዘየዳሉን፥ ዘየሻራውን ምዃኑ እዩ ዘርኢ። ንምእሳር ዘብቅዕ ምኽንያት ከምዘየለ'ውን ተገንዚብና ኣለ\"ኢሉ ። ኣድለር ወሲኸዑ ድማ፡ \"ጋዜጠኛታት ካብ ዝኾነ ፍርሓትን መጥቃዕትን ነጻ ኾይኖም ስረሖም ከሳልጡ ኣለዎም። ኩመራ ክሳብ ነጻ ዝወጽእ ሱቕ ኣይንብልን\" ኢሉ። በዓልቲ ገዝኡ ንኩመራ፡ ሃዊ፡ ንቢቢሲ ከምዝበለቶ፡ ነቲ ጋዜጠኛ 10 ፖሊስ ኮይኖም እዮም ኣብ ቀይዲ ኣእትዮምዎ። ኣቦ ሰለስተ ቖልዑ ንዝኾነ ኩመራ፡ ኣብ ቅድሚ ደቁ ኢዱ ንድሕሪት ገይሮም ከምዝኣሰርዎ ውን ተዛሪባ። ካብቲ ዕለት ጀሚሩ፡ እቶም ደቁ ድቃስ ከምዝሓረሞም'ውን ተዛሪባ። ስድራ ኣባላቱ ከምዝዛረብዎ እንተኾይኑ፡ ፖሊስ ቴሌፎን፣ ኮምፒውተርን ፍላሽ ድራይቭን ከምኡ'ውን ወረቐታት ወሲዱ ኣሎ። ቢቢሲ፡ ኩመራ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኣብ ሜክሲኮ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ፌዴራል ፖሊስ ኣብ ሓደ ዝሑል ክፍሊ ንበይኑ ከምዝኣሰሮ ዘረጋገጸ ኮይኑ፡ ምስ ካልኦት እሱራት ከይሕወስ ከምዝተኸልከለ'ውን ምፍላጥ ተኻኢሉ። ---- መንግስቲ ኢትዮጵያ ፡ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተኸስተ ጎንጺ ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ልዕሊ ሚድያታት ወጻኢ ዝተፈላለየ ጽዕንቶ ክፈጥር ከምዝጸንሐ ሮይተርስ ኣዘኻኺሩ። ሮይተርስ፡ ኩመራ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጎንጺ ምጽብጻቡ ገሊጹ፡ ብዚ ምኽንያት ከምዝተኣስረ ንምፍላጥ ንላዕለዎት ሰብ ስልጣን ኡትዯጵያ ሓቲቱ ምላሽ ኣይረኸበን። በዓልመዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያ፡ 14 ሕዳር 2013 ዓ\/ም ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ንሮይተርስ ሓዊሱ ካልኦት ዓለም ለኸ ሚድያታት ሕሶትን ሚዛናዊ ዘይኮነን ጸብጻባት ብምቕራብ ከሲሱ ነይሩ። ሮይተርስ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ዝሰርሖ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ዝቐረበሉ ክሲ፡ ብዝምልከት ተቓውሞ ኣስሚዑ እዩ። ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝጣበቕ ሲፒጀይ ብወገኑ፡ ማእሰርቲ ኩመራ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ጥሕሰት ናጽናት ፕሬስ መርአያ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ። እቲ ትካል፡ 22 ሕዳር 2013 ዓ.ም ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛታት ብዝሰርሕዎ ዜና ምኽንያት ምእሳሮም ሓቢሩ ነይሩ እዩ። ካብ መንጎኦም፡ እቶም ሓሙሽተ ዝተኣስሩ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ\/ም ኣብ መንጎ ፌዴራል መንግስትን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ጎንጺ ምስተልዓለ እዩ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55441209"} {"headline":"ኤፍቢሲ፡ ፋና ኤፍ ኤም ጨንፈር መቐለ 'ካብ ኣዲስ ኣበባ ጸቕጢ ይበጽሐኒ ኣሎ' ኢሉ","content":"ጋዜጠኛታትን መሪሕነትን ናይቲ ሓደ ካብ ጨንፈር ኤፍኤማት ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት (ኤፍቢሲ) ዝኾነ መቐለ ፋና ኤፍኤም 94.8 ካብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ዋና ቤት ዕዮ ጸቕጥታት ከምዝበጽሖም ንቢቢሲ ሓቢሮም። ኣካያዲ ስራሕ እቲ ጨንፈር ጋዜጠኛ መሰረት ታደሰ \"ፋና ክልተ ዓይነት ፋና ኮይኑ'ሎ\" ክብል ነቲ ኣብ ሞንጎ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ዋና ትካልን መቐለ ዝርከብ ጨንፈርን ዝተፈጠረ ኣፈላላይ ይገልጾ። \"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ኣጀንዳን ኣብ ትግራይ ዘሎ ኣጀንዳን ተፈላልዮም። ኣብ ክልቲኡ ዝዳለዉ መደባት እውን ዘይራኸቡ ኮይኖም\" ዝበለ ጋዜጠኛ መሰረት፡ ካብ ማእኸል ዝመጽኡ ኣጀንዳታት ጥራይ ክተድህቡ ኣለኩም ዝብል ጸቕጢ ከምዝተገበረሎም ሓቢሩ። ነዚ ብምቅዋም ነቲ ጸገም ከረድኡ ብተደጋጋሚ እንተፈተኑ'ውን ካብቲ ዋና ቤት ኣጽጋቢ ምላሽ ብዘይምርካቦም፡ ብመሰረት ኤዲቶሪያል ፖሊሲ'ቲ ትካል ንክልላውን ሃገራዉን ዛዕባታት ምትእንጋድ ከምዝቐጸሉ ኣረዲኡ። \"እቲ [ናይ ኤፍቢሲ] ኤዲቶሪያል ፖሊሲ፣ ካልኦት ማንዋላትን ኣዋጅ በዓልመዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያን ልዕሊ 60 ሚኢታዊት ንሃገራዊ ትሕዝቶታት ወይ ድማ ሓበሬታ ሽፋን ክህቡ ኣለዎም እዩ ዝብል። ፋና ግን ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ሃገራዊ ኣጀንዳታት ገዲፉ'ዩ\" ኢሉ። ነዚ ዝበለሉ ምኽንያት ድማ እቲ ትካል ኣብ ኣዲስ ኣበባን ነቲ ኣብኡ ዘሎ መንግስቲ ፌደራልን ጥራይ ዝምልከቱ ኣጀንዳታት ሽፋን ብምሃብ ንክልላዊ ዋኒናት ብምርስዑ ከምዝኾነ ብምግላጽ \"እዚ ድማ ናይ መንግስቲ ወሃቢ ቓል ጥራይ ኮይንካ ከም ምግልጋል ኢና ንወስዶ\" ክብል ሓቢሩ። እንተኾነ ቢቢሲ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ መብርሂ ንኽህብ ሕቶ ዘቕረበሉ እቲ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ኤፍቢሲ ኣይተ በቀለ ሙለታ፡ \"ኣነ ነቲ ጉዳይ ብዙሕ ስለዘይፈልጦ መልሲ ክህብ ኣይክእልን\" ዝብል መልሲ ብስልኪ ሂቡ። እዚ ንኽመሓየሽ ብተደጋጋሚ ምስ መሪሕነት ኤፍቢሲ ከምዝተዘራረቡን ካብቲ መሪሕነት ግን \"ኣብ ናይ ማእኸል ኣጀንዳ ኣድሂብኩም ክትሰርሑ ኣለኩም\" ብዝብል መልሲ ከምዝተወሃቦምን ኣዘኻኺሩ። ኣካያዲ ስራሕ መቐለ ፋና ኤፍኤም ጋዜጠኛ መሰረት ከምዝበሎ፡ እተን ኣብ ክልላት ዝተኸፈታ ጨንፈር ኤፍኤማት ነቲ ኣብ ከከባቢኤን ዘሎ ፍጻመታት ሽፋን ክህባ ጥራይ ዘይኮነነስ ነቲ ክልላዊ ፍጻመታት ናብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ማእከል ጸብጻባት ክሰርሕ ኣብ ኤዲቶሪያል ፖሊሲን ማንዋለትን ኤፍቢሲ ሰፊሩ ይርከብ። \"እንተኾነ ኣብ መቐለ ይኹን ኣብ ትግራይ ዘሎ ፍጻመታት ብዜና ወይ ብመልክዕ ሓጺር ምድላው ሰሪሕና ክንሰደሎም ከለና፡ ዝበዝሕ እዋን ክእገድ፤ ገለገሊኡ ተዛቢዑ ክቐርብ፤ ኣብ ገለ እዋናት ድማ ንሕና ዝለኣኽናሎም ገዲፎም ካልእ ፍልፍል [ምንጪ] ሓበሬታ ክጥቀሙ ጀሚሮም\" ኢሉ ነቲ ኩነታት ከረድእ ከሎ። \"እዚ ኩነታት ምስተደጋገመ ግን ኣብ ወርሒ ሕዳር [2012 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ደብዳበ ብምጽሓፍ፤ 'እቶም ንሕና ንልእኾም ሓበሬታ ክእገዱ፣ ክዛብዑ ወይ ድማ ዘይተብሃለ ክቐርብ ከሎ ምስቲ ኣብዚ ዘሎ ሰማዒና ናብ ዘይምስናይ ንኣትው ስለዘለና፤ ክመሓየሽ ኣለዎ። እዚ ኣብዘይኸውን ግን ካብ ደጊም ካብዚ እንልእኾ ጸብጻብ ኣይክህልውን' ዝብል መልእኽቲ ኣሕሊፍና\" ኢሉ። ነቲ ኣብ ሕዳር ዝጸሓፍዎ ደብዳበ ካብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ዋና ቤት ዕዮ ዝተወሃበ መልሲ ከምዘየለን ካብ ትግራይ ዝለኣኹ ጸብጻባት ከምዘይነበሩን ድማ ተዛሪቡ። እዚ ኣብ ሞንጎ ኤፍቢሲን ፋና ኤፍ ኤም 94.8 ጨንፈር መቐለን ዘሎ ዘይምጥዕዓም ካብ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ከምዝጀመረ ጋዜጠኛ መሰረት ይዛረብ። \"ናይ መንግስቲ ለውጢ ካብ ዝግበር ንደሓር ፋና ኣብ ከባቢና ዝነበሮ ምስሊ እናተቐየረን ተቐባልነቱ እናነከየን መጺኡ። ኣብዚ ኩነታት እውን ኮይንና ግን ንሕና ነቲ ከባቢና ዝምጥን ትሕዝቶን ኣጀንዳን እናቐረጽና ክነቕርብ ምስጀመርና እቲ ጉዳይ እናተረረ ከይዱ\" ዝበለ እቲ ኣካያዲ ስራሕ ጨንፈር መቐለ፡ ነቲ ካብ ማእኸል ንዝፍኖ ትሕዝቶታት ዝተወሃበ ግዜ ኣየር ኣብ ዘይተነከየሉ ኩነታት ኣብቲ ዋና ሬድዮ ግን [ኣዲስ ኣበባ ዘሎ መፈነዊ] ንናይ ትግራይ ዋኒናት ሽፋን ምሃብ መሊኡ ደው ከምዝበለ ገሊጹ። መቐለ ፋና ኤፍ ኤም ካብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝመሓላለፉ መደባት ብሊንክ እናተቐበለ ናብ ሰማዕቲ ዘቅርብ ኮይኑ፤ ኣብ መዓልቲ ካብ ዘለዎ ፈነወ ድማ እቲ 8 ሰዓታት ኣብ መቐለ ብዝርከቡ ጋዜጠኛታት ንዝዳለዉ መደባት ሽፋን ይህብ። ንትግራይ ዝምልከቱ ድማ ኣብዞም ሰዓታት ሽፋን ይረኽቡ። ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ ዘሎ ድማ ኣብቲ ክልላዊ ዛዕባታት ሽፋን ዝወሃበሉ ግዜ ኣየር ዝቐርቡ ትሕቶታት ብዋና ቤት ዕዮ ቁጽጽር ክግበረሎም ብምጅማሩ ከምዝኾነ ጋዜጠኛ መሰረት ይዛረብ። \"ከይንሰርሖም ወይ ሽፋን ከይንህቦም ዝበሃሉ ጉዳያት ብዙሓት'ዮም። ካብ ትግራይ ዝወጽኡ ሓበሬታታት ብእርይ ቁጽር እንታይ ምዃኖም እናተለለየን እናተፈለየን እዩ ዝረኣይ። መብዛሕቲኦም ከይሓልፉ ይእገዱ\" ይብል ጋዜጠኛ መሰረት ታደሰ። ኣስዒቡ ድማ \"ንኣብነት ውሳነታት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ፣ መግለጺ ውድባት ብፍላይ ህወሓት ከምኡ'ውን ኣብዚ ክልል ዘለዉ ፈጸምቲ ስራሕ ዘሕልፍዎ መልእኽቲ ብተዳጋጋሚ ልኢኽና ብተደጋጋሚ ክሓልፍ ኣይከኣለን። ብተወሳኺ ድማ ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዝህብዎ መግለጺ ኮነ ምስ ጋዜጠኛታት ዝገብርዎ ቃለ-መሕትት ብተደጋጋሚ ከይተመሓላለፈ ተሪፉ\" ክብል ዘርዚሩ። ብዘይካ'ዚ ኣብ ትግራይ ዝተኻየዱ ዓበይቲ ህዝባዊ ስልፍታት ይትረፍ'ዶ ብቐጥታ ሸፋን ክረኽቡ እቲ ሰልፊ ምስተኻየደ'ውን ሽፋን ከይረክብ ከምዝተገበረ ኣረዲኡ። \"ገሊኦም ሽፋን ዝተወሃቦም እውን ብዝተሸራረፈን ብዘይተበሃለን ኩነታት ክቐርቡ ከለዉ ንዕዘብ ኔርና። ዝኾነ ነቲ ፌደራል መንግስቲ ዝምልከት ርእይቶ 'ከይተምጽኡልና' እዮም ዝብሉ\" ክብል ሓቢሩ። መሰረት ከምዝበሎ፡ እቲ ጉዳይ እናረሰነ ብምምጽኡ ብ30 ሚያዝያ [2012 ኣ.ኢ] ካብቲ ዋና ቤት ዕዮ (ኤፍቢሲ) መጠንቀቕታ ደብዳበ በጺሕዎም ኣሎ። \"ትማሊ ዝተጽሓፈ ደብዳበ ሎሚ ባሕቲ ግንቦት በጺሑና'ሎ። እቲ ደብዳበ ከኣ 'ናይቲ ትካል ኤዲቶርያል ፖሊሲን መምርሕን ዘይምኽባር ከምኡ'ውን ክኽበር ዘይምግባር' ይብል። እዚ ደብዳበ ብንጹር ዘይኮነስ ሓፈሻዊ ነገር'ዩ ተጻሒፉ ዘሎ\" ድማ ይብል። እንታይ ተጣሒሱ? ዘይተኸበረን ክኽበር ዘይተገበረንከ ኣየናይ እዩ? ንጹር ከምዘይኮነ ብምምልካት፡ ኣብቲ ጥሕሰት ናይ ስራሕ ዲሲፕሊን ዝብል እውን ብግልጺ ከምዘይተቐመጠ ሓቢሩ። \"መን ብኸመይ ነቲ ኤዲቶርያል ፖሊሲ ጥሒሱ? ዲሲፕሊን ስራሕ ዘጓደለ ሰራሕተኛኸ መን'ዩ? ዝብሉን ካልኦትን ብዝርዝር ኣብ ዘይተገለጸሉ 'ብቕልጡፍ ይተኣረም' ተባሂሉ መጠንቀቕታ ተዋሂቡና'ሎ። እዚ ክእረም ዝተበሃለ'ውን ኣይንፈልጦን\" ዝበለ ጋዜጠኛ መሰረት ነዚ ደብዳበ 'ንጹር ዘይኮነ' ብዝብል ገሊጽዎ። እዚኦም ኩሎም ብግልጽን ብዝርዝርን መብርሂ ክወሃበሎም ዝሓትት ደብዳበ ብምጽሓፍ ድማ ናብቲ ዋና ቤት ዕዮ ከምዝለኣኹ ወሲኹ ገሊጹ። እቲ ደብዳበ ካብ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣክስዮን ማሕበር ኣይተ በቀለ ሙለታ ቶላ ከምዝተጽሓፈ፡ ብማህተም፣ ፊርማን ስምን ተረጋጊጹ'ሎ። እንተኾነ ቢቢሲ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ መብርሂ ንኽህብ ሕቶ ዘቕረበሉ እቲ ዋና ኣካያዲ ስራሕ፡ \"ኣነ ነቲ ጉዳይ ብዙሕ ስለዘይፈልጦ መልሲ ክህብ ኣይክእልን\" ዝብል መልሲ ብስልኪ ሂቡ። \"እቲ ጉዳይ ድማ ውሽጣዊ ዋኒንና ስለዝኾነ ብውሽጢ ርኢና እንፈትሖ ስለዝኾነ ኣብዚ ዛዕባ ክዛረብ ኣይደልን\" ኢሉ። ሰፊሕ መብርሂ ንምርካብ ደጋጊምና ስልኪ ኣብ ዝደወልናሉ እዋን እውን ክምልስ ኣይከኣለን። ስም ናይቲ ትካል ስለዝተበላሸወ ብዙሓት ጋዜጠኛታት መቐለ ፋና ኤፍ ኤም 94.8 ካብቲ ትካል ከምዝለቐቑን እቶም ዘለዉ ከኣ እዚ ኩሉ 'ብድሆታት' ኣብ ዘጋጥመሉ ኩነታት ኮይኖም ብመሰረት ኤዲቶርያል ፖሊሲ እቲ ትካል ስርሖም ከምዝቐጸሉን ዘዘኻኸረ ጋዜጠኛ መሰረት፡ \"ንኣወርሕ ዝገበርናዮ ቃልሲ ክንቕጽለሉ ኢና\" ክብል ተዛሪቡ። \"እቲ ሕዚ ዝመጽእ ዘሎ ዘረባታትን መጠንቀቕታታትን ኣቐዲምና ፈሊጥናዮ ጸኒሕና ኢና። ኣብ ጉዕዞና ዝነበረ ጥንካረን ክፍተትን ከምኡ ድማ 'ስግኣትና እንታይ እዩ?' ብዝብል መፍትሕታት ነጺርና ኢና። ስለዚ ሙያዊ ዓቕምና ተጠቒምና ንትግራይን ህዝቢ ትግራይን ክነገልግል፤ ምናልባት መቕጻዕቲ እንተመጹኡ'ውን ተዳሊናሉ ኢና\" ክብል ኣረዲኡ። ጨንፈር ኤፍኤማት ፋና ዝኾነን ኣብ መቐለ ዝርከብን ኤፍኤም 94.8 ካብ ዝኽፈት 10 ዓመት መሊእዎ'ሎ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52604315"} {"headline":"ሲፒጄ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሕጊ ሽበራ ንጋዜጠኛታት ይኣስር ምህላዉ ገሊጹ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ቅድም ክብል ይጥቀመሉ ዝነበረ መገድታት ብምጥቃም ንመራኸብቲ ሓፋሽ ክቆጻጸርን ጋዜጠኛታት ክኣስርን ጀሚሩ ከምዘሎ፡ ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ዓለምለኻዊ ትካል፡ ሲፒጄ [ኮሚቲ ቱ ፕሮቴክት ጆርናሊስትስ] ገሊጹ። ድሕሪ እቲ ኣብ 22 ሰነ ዘጋጠመን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ምዃኑን ዝተገለጸ ፍጻመ፤ ብውሕዱ ክልተ ጋዜጠኛታት ብሕጊ ሽበራ ከምዝተቐየዱ ሲፒጄ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ሓቢሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ እቲ ፍጻመ ኢንተርኔት ምዕጻዉ'ውን ሲፒጄ ኣብ ጸብጻቡ ከምስግኣት ጠቒስዎ ኣሎ። ካብዚ ብተወሳኺ፤ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ንብዙሓት ጋዜጠኛታት ከምዝኣሰሩ ዝገለጸ ክኸውን ከሎ፤ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ \"ኣብ መንጎ ሰራዊትን ህዝብን ዘይምትእምማን ይፈጥር ኣለዉ\" ንዝበሎም ውልቀሰባትን መራኸብቲ ሓፋሽን ክኸስስ ይዳለው ምህላዉ'ውን ስፒጄ ጠቒሱ'ሎ። ሲፒጄ ኣብ ጸብጻቡ፡ ንርእይቶ ጋዜጠኛታትን ሰብሞያን ዘካተተ ክኸውን ከሎ፤ እቶም ጋዜጠኛታት ስግኣታቶም ገሊጾም ኣለዉ። በዚ ዝቕጽል እንተኾይኑ ከኣ፡ መጻኢ ዕድል እታ ሃገር ዘስግእ ከምዝኾነ እቶም ርእይቶ ዝሃቡ ጋዜጠኛታት ገሊጾም። ድሕሪ ምምጻእ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያ ንጋዜጠኛታትን ሚድያን፡ ምቹእ ባይታ ትፈጥር ኣላ ዝብል ናእዳ ክውሕዘላ ጸኒሑ እዩ። ዝሓለፈ ግንቦት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተጸምበለ ዓለማዊ መዓልቲ ናጽነት ፕሬስ'ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ልዑል ናእዳ ረኺቡ እዩ። ሲፒጄ ምስቲ ሕዚ ዘጋጥም ዘሎ ምእሳር ጋዜጠኛታት ኣዛሚዱ፤ እዚ ናእዳታት ብገንኡ ዝተውሃበ ግዲ እዩ ነይሩ? ዝብል ሕቶ ከምዝፈጥር ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ኣሎ። ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ምላሽ ክትህብ ዝተሓተት ውሃቢት ቃል መንግስቲ ቢልለኔ ስዩም፤ ምእሳር ጋዜጠኛታት ኩልሻብ ምስ ሞይኦም ዝራኸብ ከምዘይኮነን፤ መንግስቲ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ጥጡሕ ባይታ ንምፍጣር ይተግህ ምህላዉ ከምዝተዛረበት ስፒጄ ይጠቅስ። ተሓላቒ ሰባዊ መሰላት ኣመነስቲ ኢንተርናሽናል'ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ናጽነት ሚዲያ ዘርኣዮ ለውጢ ንድሕሪት ይጎቶ ኣሎ ክብል ነቒፉ እዩ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48934004"} {"headline":"ጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ፡ ክሱስ ሓድሽ ኣዋጅ ኢትዮጵያ ብዋሕስ ተፈቲሑ","content":"ትማሊ ብ15 ሽሕ ብር ብዋሕስ ክፍታሕ ቤት ፍርዲ ዝበየነሉ፡ ጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ ሎሚ መዓልቲ ካብ ማእሰርቲ ከምዝተፈትሐ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ። ብምኽንያት ኣብ ጉዳይ ኮሮናቫይረስ ዝጸብጸቦ ኣብ ቀይዲ ዝወዓለ ያየሰው ሽመልስ፡ ኣብ ትግራይ ቴሌቪዥን ኣብ ዘቕርቦ መደብ ንፌዴራል መንግስቲ ተሪሩ ብምንቃፍ እዩ ዝፍለጥ። ብዝተፈላለዩ መንገድታት ምፍርራሓት ይበጽሕዎ ከምዝነበሩ ዝዛረብ እንትኸውን፡ ቅድም ክብል ብማእከል መረዳእታን ሓበሬታን ኢትዮጵያ መብርሂ ክህብ'ውን ተሓቲቱ ነይሩ። ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጽአ ብስልኪ ዘዘራረብናዮ ያየሰው ሽመልስ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘጋጠሙ ነገር እንተሎ ተሓቲቱ ካብ ምዝራብ እንተተቖጠበ'ኳ፡ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ገጢምዎ ከምዝነበረ ግን ገሊጹ። \"እዚ ሕማም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣይኮነን ጀሚሩኒ። ግን ገዲዱኒ ነይሩ። ሕቖይ ሓሚመ ነይረ\" ይብል። ቅድም ክብል ሕቖኡ ይቕንዞ ከምዝነበረን፡ መድሓኒት ይወስድ ከምዝነበረን ይዛረብ። \"መድሓኒት ይወስድ ነይረ ፡ ወዲአ እየ። ካብኡ ድማ እቲ ቤት ማእሰርቲ ንሑቐ ዝምቹ ኣይኮነን። ቃንዛ ገዲዱኒ ነይሩ\" ኢሉ። \"ሕዚ ግን ዳሕና እየ እግዚኣብሄር ይመስገን\"። ትሸዓንተ ግዘ ናብ መጋባኣያ ከምዝቐረበ ይዛረብ ጋዜጠኛ ያየሰው። ካብ ዝእሰር ጀሚሮም፡ ዝሐተትዎ ብርክት ዝበሉ መሓዝቱን ጋዜጠኛታትን ድማ ኣመስጊኑ። \"ዳያኑ ዝቐረበሎም መካትዒ ነጥቢ ሒዞም ይብይኑ ነይሮም። ሰለስተ ግዘ ብዋሕስ ክወጽእ ፈቒዶምለይ። ኣብ ሳልሳይ ግዘ ወጺኣ ኣለኹ\" ኢሉ። እንታይ ይጽብጽብ ነይሩ? እቲ ጋዜጠኛ፡ ኣብዚ ናይ ለውጢ እዋን፡ ብዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ማእኸላይ መንግስቲ ዝፍጽሞም ጉድለታት ብምቅላዕ እዩ ዝፍለጥ። ንሱ ቅድም ክብል ዝሰርሐሉ ዝነበረ፡ ቴሌቪዥን ኢኤንኤን ምስቲ መንግስታዊ ለውጢ ተኣሳሲሩ ምዕጻዉ ስዒቡ፡ ኣብተን ኣብ ማእኸል ሃገር ዝርከባ ሚድያታት ክሰርሐሉ ዝኽእል ባይታ ስኢነ እዩ ዝብል። ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብ ትግራይ ዝርከብ መንግስታዊ ሚድያ፡ ትግራይ ቴሌቪዥን ኣየር ሰዓት ወሲዱ እዩ ክሰርሕ ጸኒሑ። ነቲ ክልል ዝመርሕ ውድብ ህወሓትን ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስትን፡ ምስ ማእኸላይ መንግስቲ ዝቃደው ኣይኮኑን። ብምዃኑ ድማ፡ ንሱ ነጻ ኾይኑ ሞያዊ ስርሑ ይሰርሕ ከምዘሎ እንተተዛረበ'ኳ፡ ብገለ ናታቶም ደጋፊ ተገይሩ እዩ ክረአ ጸኒሑ። ኣብዚ ኢትዮፎረም ዝበሃል መደቡ፡ እቲ ንሱ ንቓለ መሓትት ዘቕርቦም ሰባት፡ መብዛሕተኦም ኣብታ ሃገር ኣሎ ዝበሃል ጥሕሰት ሕጊ፣ ኢድ ኣእታውነት ሕይልታት ወጻእን ዝነቕፉ እዮም። ንሱ ባዕሉ፡ ኣብዚ መደብ ኮነ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዘቕርቦም ፖለቲካዊ ትንታነታት'ውን ከምኡ እዮም ዘንጸባርቑ። ብማእኸላይ መንግስቲ ግን፡ ብጎቦ ዓይኒ ክረአ ከምዝጸንሐ፡ ሲፒጄ ንመሓዙት እቲ ጋዜጠኛ ጠቂሱ ጸብጺቡ እዩ። እዚ ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ዓለምለኻዊ ትካል፡ መንግስቲ ብዘይ ወዓል ሕደር ነቲ ጋዜጠኛ ክፈትሖ ክልተ ግዜ ምሕታቱ ዝዝከር እዩ። ፈላማይ ክሱስ ሓድሽ ኣዋጅ ቤት ፍርዲ፡ እቲ ጋዜጠኛ ኣብ ደገ ኾይኑ ክሱ ክከታተል፡ ብዋሕስ ክፍታሕ ክልተ ግዜ እንተፈቐደ'ኳ፡ ግልጺ ብዘይኮነ ምኽንያት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክደናጎ ከምዝተገብረ ጠበቓ ያየሰው፡ ኣይተ ታደለ ገ\/መድህን ይዛረብ። \"ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ጽኑዕ እምነት እዩ ዘለና። እንተኾነ፡ ብዋሕስ ክፍታሕ እንትፍቀድ፡ ብደገ ኣብኡ ክደናጎ ዝተገበረሉ ምኽንያት ግልጺ ኣይኮነን\" ኢሉ። ብዋሕስ ናይ መንውጻእ መሰሉ ምኽልካል ልክዕ ኣይነበረን ይብል። ቅድም ክብል፡ ብዋሕስ ክወጽእ ምስተፈቐዶ፡ ፌዴራል ፖሊስ ናይ ግብረ ሽበራ [ግብረ-ራዕዲ] ክሲ ኣቕሪብሉ ክፈንሕ ተገይሩ። ሕዚ፡ ልደታ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ እዩ ነቲ ጋዜጠኛ ዋሕስ ፈቒድሉ ዘሎ። እቲ ጋዜጠኛ፡ ናይዚ ኣብ ቀረባ እዋን ዝጸደቐ ኣካታዒ ሓድሽ ኣዋጅ 'ኣንጻር- ናይ ጽልኣት ዘረባን ዝንቡዕ ሓበሬታን\" ፈላማይ ክሱስ ኮይኑ፡ ኣብ ደገ ኾይኑ ጉዳዩ ክከታተል እዩ። ኣብ እዋን ዘበነ ኢህወዴግ፡ ብፍላይ ኣዋጅ ጸረ-ሽብር፡ ግብረ ራዕዲ ንምክልኻል ተባሂሉ ዝወጸ እንተኾነ'ኳ፡ ጋዜጠኛታትን ኣባላት ውድባት ተቓውሞን ዝእሰርሉ ከምዝነበረ ብሰፊሑ ተነቒፉ እዩ። ስለዝኾነ ድማ፡ ነዚ ሓዊሱ ስግኣት ዝፈጥሩ ዝነበሩ ገለ ኣዋጃት፤ ቅድሚ ሓደ ዓመት ክኽለሱ ወይከኣ ክእለዩ ተገይሩ እዩ። እንተኾነ፡ እዚ ሓድሽ ኣዋጅ 'ናይ ጽልኣት ዘረባን ስኑዕ ሓበሬታን' እውን ንተመሳሳሊ ዕላማ ከይውዕል ስግኣታት ኣለዉ። ብፍላይ፡ ዓለም ለኸ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ እቲ ሓድሽ ኣዋጅ፡ ተቓውሞን ብነጻነት ምጽሓፍን ጸጥ ንምባል ኣብ ተግባር ከይውዕል ስክፍተኦም ገሊጾም ነይሮም እዮም።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52395421"} {"headline":"ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ንክሲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዶቸ ቨለ ነጺጉ","content":"ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን፡ ነቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ መደበር ዜና ጀርመን፡ ዶቸ ቨለ ዝቐረበ ክሲ ነጺግዎ። እቲ ሚኒስተር ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ እቲ ኣብ ጽሑፉ ንፕረዚደንት ኢሳያይስን መንግስቱ ዝነቐፈ ሓላፊ ክፈሊ ኣምሓርኛ ዝኾነ ሉድገር ሻዶምስኪ \"ኣብ ናጻ መደበር ሚድያ ብዝለዓለ ሞያዊ ጋዜጠኝነት ዝሰርሕ'ዩ\" ክብል ገሊጹዎ። \"ናጽነት ፕረስ፡ ደሞክራሲ ብግቡእ ንኽሰርሕ መተካእታ ዘይብሉን ኣድላይ እዩ\" ክብል'ውን ገሊጹ። እቲ ሚኒስተር ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣስመራ ዝተጸወዐ ኣምባሳደር ሃገሩ ዝኾነ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣይሃበን። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ኣብ ኣስመራ ንዝርከብ ኣምባሰደር ጀርመን ጸዊዑ፡ ነቲ ማዕከን ዜና ዶቸ ቬለ ዘቃለሖ \"ልጓም-ኣልቦ ጎስጓስ\" ዝበሎ ትሕዝቶ ዘለዎ ተቓውሞ ከም ዘስምዐ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ ነይሩ። ብዛዕባ'ቲ \"ፍንፉን\" ዝበሎ ጸብጻብ፡ እቲ ሚኒስትሪ፡ \"መብርህን\/መኣረምታን\" ካብቲ ኣምባሳደር ከም ዝጠልብ'ውን ኣቶ የማነ ብትዊተሩ ወሲኹ ገሊጹ። መግለጺ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጀርመን ድማ፡ ነቲ ስጉምቲ ብምቅዋም ዝወጸ'ዩ። ዶቸ ቬለ ብመንግስቲ ጀርመን ዝምወል መደበር ዜና እዩ። እቲ መደበር ዜና ይኹን መንግስቲ ጀርመን ዛጊት ብዛዕባ'ቲ ክሲ ግብረ መልሲ ኣይሃቡን። መንግስቲ ጀርመን፡ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ከተመሓይሽ ብምሕታቱ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዘሎ ርክባት እናሓርፈፈ ክመጽእ ጸኒሑ'ዩ። ንምዃኑ ደቸ ቬለ እንታይ ኢሉ'ዩ ጽሒፉ? ኣብ ዶቸ ቨለ ሓላፊ ክፍሊ ኣምሓርኛ ዝኾነ፡ ሉድገር ሻዶምስኪ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ መደበር ዜና ዝጸሓፎ ርእይቶ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝተውሃበ ሽልማት ኖቤል ሰላም፡ \"ኣብ ግጉይ ኢድ ወዲቑ\" ክብል ገሊጽዎ። ሻዶምስኪ ኣብ ጽሕፉ፡ \"ሽልማት ኖቤል ሰላም ዓቢ ትእምርታዊ ኣገዳስነት ዘለዎ'ዩ\" ድሕሪ ምባል፤ \"እቲ ዝተባህለ ሰላም ፈንተት ኣብ ዘይበለሉ፡ ነዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ጸጋናይ መንእሰይ ምሽላሙ ግጉይ ምርጫ እዩ\" ኢሉ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተሸለመሉ ሰላም \"ዳርጋ ኣብ ወረቐት ጥራይ ዝሰፈረ ሰላም'ዩ\" ክብል ብምቃፍ፡ እቲ ብኽንደይ ዳንኬራ ዝተኸፍተ ዶባት፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ምዕጻዉ ናይዚ ኣብነት'ዩ ክብል ይምጉት። ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ በረራታት'ውን፡ እቲ ብምኽፋት ዶባት ክረብሕ ዝኽእል ህዝቢ ዘይኮነ፡ ነቶም \"ላህመት\" (ኢሊትስ) ዘገልግል ጥራይ'ዩ ክብል ጽሒፉ። እቲ \"ምኒኑ ውልቀመላኺ\" ዝበሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈውርቂ'ውን ተኻፋሊ ናይቲ ሽልማት ብዘይምዃኑ ባህ ኣይበሎን ኢሉ። ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ነቲ ሽልማት ድሕሪ ምዕዋቱ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ከመሓላለፍኡ ተሰሚዖም። እቲ ብሞት ወላዲኡ ወግዓዊ መግለጺ ሓዘን ዝሰደደ መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ ነቲ ሽልማት ስዒቡ፤ ወግዓዊ ናይ 'እንኳዕ ድስ በለካ' መግለጺ ክህብ ኣይተሰምዐን። ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጃፓን ኣቶ እስቲፋኖስ ኣፈወርቂ ግን ብመንገዲ ትዊተር ዮሃና ኢሉ ነይሩ። ሉጀር ሻዶምስኪ፡ ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘምጸኦ ለውጢ እንተነኣዶኳ፡ እዚ'ውን እንተኾነ ፤ ዝገደደ ዓሌታዊ ጎንጽታትን ምቅትታልን ዝዓሰሎ ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ። ቅድሚ ሕጂ'ውን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ብዝተሓሓዝ ንኣምባሳደር ብሪጣንያ ብምጽዋዕ ተቓውሞኡ ኣስሚዑ ከም ዝነበረ እቲ ሚኒስተር ዜና ምሕባሩ ዝዝከር'ዩ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50131640"} {"headline":"ዕጫ ሎተሪ ዝተዓወተት ጋዜጠኛ ስፔን ሓጎሳ ክትሓብእ ብዘይምኽኣላ ይቕሬታ ሓቲታ","content":"ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ቴሌቪዥን እናሃለወት ዕጫ ሎተሪ ከም ዝተዓወተት ሰሚዓ፡ \"ጽባሕ ናብ ስራሕ ኣይመጽእን'የ\" ዝበለት ጋዜጠኛ ይቕሬታ ሓቲታ። ኣብ ኣርቲቪ (RTVE) ንዝተብሃለ ማዕኸን ዜና ስፔይን እትሰርሕ ናታሊያ እስኩድሮ፡ ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ቴሌቪዥን እንከላ፡ ዕጫ ሎተሪ 5550 ዶላር ከም ዝተዓወተት ምስ ሰምዐት፡ ብሓጎስ እናኣእወየት'ያ፡ ናብ ስርሓ ከም ዘይትመጽእ ተዛሪባ። ናታሊያ እስኩድሮ፡ በቲ ዘርኣየቱ ስምዒት ተጣዒሳ ይቕሬታ ሓቲታ። እቲ ዝለዓለ ሽልማት ሎተሪ ልደት ስፔይን 4 ሚሊዮን ዩሮ ኮይኑ እዚ ገንዘብ ንብዙሓት ተዓወትቲ ዝካፈል'ዩ። ናታሊያ \"ስምዒታዊት\" ኮይና ብምዝራባ ጽቡቕ ስምዒት ንዘይተሰምዖም ተኸታተልቲ መብርሂ ከም እትህብ ተዛሪባ። ናታሊያ ኣብዚ ጉዳይ ምላሽ ክትህብ ዝተገደደት፡ ምስላ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብሰፊሑ ክዝርጋሕ ምስ ርኣየት ኮይኑ፡ ሞያዊ ስነ ምግባር ይውሕዳ'ዩ ዝብል ክሲ ቐሪቡላ'ዩ። ኣብ ስነ ስርዓት ሽልማት እቲ ዕጫ ሎተሪ ሻማፕኝ ተኸፊቱ ዓብዪ ዕጫ ወግዓዊ እንትግበር፡ ናታሊያ ብሓጎስ እናነጠረት ብቴሌቪዥን ተራእያ'ያ። ቑጽሪ ዕጫ ሎተሪ ልደት እዚ ዓመት 26590 ነይራ። ናታሊያ ብዛዕባ እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተውሃባ ርኢይቶ ብትዊተር መልሲ ሂባትሉ'ያ። ንኣዋርሕ ብውልቃዊ ምኽንያት ጸገም ኣጓኒፉዋ ከም ዝነበረን፡ ኣብ ናይ 25 ዓመት ናይ ጋዜጠኝነት ህይወታ ብቕንዕና ተጊሃ ምስርሓ ከም ዘኹርዓ ገሊጻ። \"ናታሊያ እስኩድሮ መታለሊትን ሓሳዊትን ጋዜጠኛ ኣርቲቪኢ\" ተባሂላ ብትዊተር ክትንቀፍ ከላ፡ ነቲ ዝተፈጥረ ምድንጋር ይቕረታ ሓቲታ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50902056"} {"headline":"ጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ፡ ብዋሕስ 25 ሽሕ ብር ክፍታሕ ቤት ፍርዲ ወሲኑ","content":"ጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ ብዋሕስ ብር 25 ሽሕ ካብ ማእሰርቲ ክፍታሕ ቤ ትፍርዲ ከምዝወሰነ፡ ጠብቓኡ ኣይተ ታደለ ገብረመድህን ተዛሪቡ። እቲ ጋዜጠኛ፡ ብመጋቢት 26 ሕማም ኮሮናቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ሓደ ጸብጻብ ምስኣቕረበ እዩ ተኣሲሩ። ጠበቕኡ ከምዝበሎ፡ ያየሰው \"ዘይሓቃዊ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ\" ክሲ ቀሪብሉ፡ ንሰለስተ ግዜ ኣብ መጋባእያ ቀሪቡ እዩ። ኣብቲ ናይ ሎሚ ናይ ቤት ፍርዲ ውዕሎ፡ ፖሊስ ንምርመራ 7 ተወሳኺ መዓልቲ ክወሃቦ እኳ ሓቲቱ እንተነበረ፡ ቤት ፍርዲ ግን ኣይተቐበሎን ኢሉ ኣይተ ታደለ። ጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ፡ ኣብ ቴሌቪዥን ትግራይ ብዘቕርቦ ሰሙናዊ ናይ ፖለቲካ መደብን፡ ኣብ 'ፍትህ' ዝተብሃለት ናይ ውልቀ መጽሄት ብዘቕርቦ ጽሑፋቱን ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ናይ ውልቁ ፌስቡክን 'ኢትዮ ፎረም' ኣብ ዝበሃል ናይ ዩቱብ ቻነሉን ድማ፡ እዋናዊ ጸብጻባት የቕርብ ነይሩ። ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ዓለማዊ ትካል ሲፒጄ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝኣሰሮ ጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ብህጹጽ ክፈትሖ ምሕታቱ ዝዝከር እዩ። ሲፒጄ፡ ንመሓዙቱ ጠቂሱ፡ እቲ ጋዜጠኛ ዘቕርቦም ጸብጻባት ንማእከላይ መንግስቲ ዝነቕፉ ብምንባሮምን፡ ምስ ቴሌቪዥን ትግራይ ብዘለዎ ምትእስሳርን ኣብ ዓይኒ ሰበ-ስልጣን ማእከላይ መንግስቲ ኣትዩ ጸኒሑ እዩ።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52294176"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ብህጹጽ ክፍትሑ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ","content":"ተሓላቒ ሰባዊ መሰላት ኣመነስቲ ኢንተርናሽናል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ናጽነት ሚዲያ ዘርኣዮ ለውጢ ንድሕሪት ይጎቶ ኣሎ ክብል ነቒፉ። ኣብዚ ሰሙን፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ምክልኻል ምስ ህዝቢ ዘገራጭው ጸብጻባት ዘቕርቡ ጋዜጠኛታትን ናይ ሚዲያ ማዕኸናትን ናብ ቤት ፍርዲ ከቕርቦም ምዃኑ ዝገልጽ መጠንቀቕታ ሂቡ ነይሩ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብድሕሪ እዚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ቐዳማይ ሚኒሰትር ኣብዪ ኣሕመድ ወርሒ ማዚያዚያ 2018 ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ጋዜጠኛታትን ጸሃፍትን ብምፍታሕ ናጽነት ሚዲያ ይግድብ'ዩ ተባሂሉ ዝንቀፍ ዝነበረ ኣዋጅ ክለዓል ገይሩ'ዩ ዝብል ጠቒሱ። ብመሰረት እዚ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ዓመት 2018፡ ኩሎም እሱራት ብምፍትሖም ዋላ ሓደ ዝተኣሰረ ጋዜጠኛ ዘይብላ ሃገር ተባሂላ ተሞጊሳ ነይራ ይብል። ይኹን'ምበር፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሽም ሰራዊት ምክልኻል ዘጥፍኡ ጽሑፋት ዝጽሑፉ ጋዜጠኛታትን ማዕኸናት ዜናን ክኸስስ ምኻኑ ብምግላጽ ዝሓለፈ ሰሙን ብርክት ዝበሉ ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም ኢሉ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል። ዳይሬክተር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ቐርኒ ኣፍሪቃን ዞባ ዓበይቲ ቐላያትን ጆዋን ንያንዩኪ፡ \"እዚ ማእሰርቲ ኣብ 2018 ንዝመጽኡ ውቁባት ምዕባለታት ንድሕሪት ዝጎትት'ዩ። ብምኻኑ ድማ ኩሎም ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ብቕልጡፍ ክፍትሑን ዝተመስረተሎም ኽሲ ውዱቕ ክግበርን ኣለዎ\" ኢሉ። ከም ሓበሬታ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈቲኑ ዝተብሃለ 'ዕልዋ መንግስቲ' ክልተ ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም፤ ብኣዋጅ ግበረራዕዲ ኽሲ ከም ዝምስረቶም ድማ ተገሊጹ'ዩ። ኣባላት ‘ቤትምኽሪ ባለኣደራ’ ምስቲ ‘ዕልዋ መንግስቲ’ ብዝተተሓሓዘ ብሽበራ ናብ ቤት ፍርዲ ቐሪቦም ድሕሪ እቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ባህርዳን ዝተፈጸሙ ቕትለታት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ክልልን ሓይሊ ምክልኻልን፡ ኣባላት ተቓዋሚ ሰልፊ ክልል ኣምሓራ ዝኾኑን ካልኦትን ብ22 ሰነ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተው ይዝከር።","category":"ነጻነት ሕትመት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48922282"} {"headline":"ኣርጀንቲና፡ ኣሰር ቅድሚ ሚልዮናት ዓመታት ዝነበረ ዘፍርሕ ፍጥረት ተረኺቡ","content":"ኣብ ኣርጀንቲና፡ ኣሰር ሓደ ክንዲ ኣውቶብስ ዝኸውን ዝተባህለ ዓቢይ ለማምን በራርን ፍጥረት ከም ዝተረኽበ ተገሊጹ። ኣሰር እዚ ፍጥረት ዝረኸቡ ሰባት፡ \"ናይ ሞት ድራጐን\" ክብሉ ሰይሞምዎ ኣለው። ክንፊ ናይዚ ዘፍርሕ በራሪ ፍጥረት ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ትሸዓተ ሜትሮ ኮይኑ፡ ካልኦት እንስሳት ሃዲኑ ይምገብ ነይሩ ይበሃል። ኣተሓባባሪ እቶም ተመራመርቲ ሊዎናርዶ ኦርቲዝ ቁመቱ ምስ ዘራፍ ዝመዓራረ ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ ስፍሓት ክንፉ ድማ ልዕሊ ክንግምቶ እንኽእል እዩ ኢሉ። እዚ ፍጥረት ኣዝዩ ዘፍርሕ መልክዕ ከም ዝነበሮ'ውን ሓቢሩ። እዚ፡ ኣብ ኣርጀንቲና ጐቦታት ኣንደስ ን86 ሚልዮን ዓመታት ዝጸንሐ ኣሰር፡ ዳይኖሰር ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከም ዝነበረ ዘመላኽት እዩ ተባሂሉ። ስነ-ኣሰረ ህይወት ዘጽንዕ ፕሮፌሰር ኢርትዝ፡ ሓደ ካብቶም ብ 2012 [ኣ. ኤ.] ኣብ ዝተኻየደ ኵዕታ፡ ኣሰር ለመምቲ ዝረኸበ ተመራማሪ እዩ። እቲ ተመራማሪ እቲ ፍጥረት 'ታንቶስድራኮን ኣማሩ' ብዝብል ቃል ግሪኽ ክስይሞ እንከሎ፡ እዚ ቃል ሞትን ድራጐንን ዝብል ትርጕም ኣለዎ። \"ከምኡ ኢልካ ክስየም ልክዕ እመስለኒ፤ ናይ ሞት ድራጐን'ዩ\" ክብል ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ ተዛሪቡ ነይሩ። እዚ ለማሚ ፍጥረት፡ ኣዕዋፍ ቅድሚ ምፍጣረን ክንፊ ካብ ሞንጐ ዘለዎም ቀዳሞት ፍጥረታት ሓደ ኮይኑ፡ ምብራር ዝጀመረ እዩ ተባሂሉ ይግመት። ቅድሚ 170 ሚልዮን ዓመታት ይነብር ነይሩ ዝተባህለን 2.5 ሜትሮ ዝዕቀንን ፍጥረት ብ2017 ተረኺቡ ነይሩ።","category":"ኣርጀንቲና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61547538"} {"headline":"ሕልምን ተስፋን ኣርጀንቲና ካብ መሲ እዩ' - ፈረንሳ ኸ?","content":"ህንጡያት ፍሱሃትን ዘለዉ ደገፍቲ ፈረንሳን ኣርጀንቲናን ኣብ ቐጠር ዝካየድ ዘሎ ውድድር ዋንጫ ዓለም ተዘካሪ መምኢ ክዀነሎም እናተተስፈዉ ሰዓታት ይቘጽሩ’ለዉ። ታሪኽ ንኽልቲኡ ወገን ብማዕረ ክጸሓፍ ተዳልዩ’ሎ። ፈረንሳ ኣሰር ኢጣልያን ብራዚልን ስዒባ፡ ኣብዚ ናይ 92 ዓመታት ታሪኽ እዛ ዋንጫ ኣከታቲላ ዓወታ ዝዓቀበት ሳልሰይቲ ጋንታ ክትከውን እዩ ዕላማኣ። እቲ ኣብ 1998 ሓለቓ ጋንታኣ ዝነበረ ኣሰልጣኒኣ ዲድየር ደሻምፕ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ 1938 ኢጣልያዊ ቪቶርዮ ፖዞ ዘመዝገቦ - ተኸታታሊ ዋንጫታት ዝዓተረ ኣሰልጣኒ ክኸውን'ውን ይጽዕር። ተስፋን ሕልምን ኣርጀንቲና ኣብ እንግድዓ ሊዮነል መሲ እዩ ዘሎ። እዚ ወዲ 35 ዓመት ተጻዋታይ ናይ ኵሉ ግዜ ዝበለጸ ተጻዋታይ ምዃኑ ዘየማትእ ኰይኑ፡ ንሃገሩ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ዝስለፈሉ ዘሎ እዋን፡ ዋንጫ ዓለምን ወርቂ መዳልያ ዓቲሩ ፍሉይ ዘውዲ ክደፍእ ይትስፎ። እቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ቦነስ ኣይረስ ዘሎ ድባብ፡ መጻኢ ሓጐስ እታ ሃገርና ኣብዚ ናይ መወዳእታ ግጥም ዋንጫ ዓለም ዝምስረት ዘሎ ኰይኑ’ዩ ዝስምዓካ። ኣርጀንቲና ኣብ ዓሚቝ ቍጠባዊ ቅልውላው እትርከብ ሃገር እያ፤ ናህሪ ዋጋታት ንብረት፡ ሚልዮናታት ዜጋታት እታ ሃገር ንነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብቓልሲ ከሕልፍዋ ኣገዲድዎም ኣሎ። እንተዀነ በቲ ሊዮነል መሲን ጋንታኦም ኣርጀንቲናን ናብ ፍጻመ ንምብጻሕ ክኸድዎን ከመዝግብዎን ዝጸንሑ ጽቡቕ ውጽኢት፡ ዝጸንሖም ስክፍታታት ደው ኣቢሎም ናብኡ ጥራይ ዘድሃቡ ይመስሉ። ምሉእ ኣቓልቦኦም ናብ መሲን ናብታ ዋንጫን ጥራይ እዩ ኰይኑ ዘሎ። ወናኒ ባር ኣርጀንቲናዊ ልዊስ ሳርኒ፡ \"እዛ ሃገር ኣዝያ [ብቝጠባ] ተሃሪማ እያ፤ እታ ዋንጫ ግን ትጥርንፈና ኣላ - ከምዚ ዝበለ ስብእና እዩ ዘለና፣ ኣብ ዓለም ዝበለጸ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ - ኣብ ኵሉ ቦታታት ድማ ተፈታዊ\" ይብል። ክንዮ መሲ ግን መላእ ጋንታ ሃገራ ንምሕባን እያ ትጽዕር። \"ኵሉ ኣርጀንቲናዊ ንነብሱ ከም ኣሰልጣኒ እዩ ዝቘጽራ፣ ነናቱ ርእይቶ እዩ ዝህብ - ዝካታዕ፣ ኣብታ እንጽንብለላ ህሞት ግን ሓቢርና ንነብዕ ንተሓቛቘፍ ድማ!\" ኣብ ፈረንሳ ዝነብር ግን ከኣ ንቕንያት በዓል ተመሊሱ ንቤተሰቡ ክበጽሕ ኣብ ቦነስ ኣይረስ ዘሎ ኣርጀንቲናዊ መንእሰይ ማርቲን ሮሃስ እዚ ጸወታ ፍጻመ ብዙሕ ትርጕም ይህቦ። \"ሕልመይ'ዩ! ኣብ 90ታት ካብ ዝውለድ ጀሚረ ኣርጀንቲና ሻምፕዮን ዓለም ክትከውን ኣይረኣኹን\" ይብል። ብርግጽ ንመሲ ናይ መወዳእታ ናይ ዋንጫ ዓለም ጸወታኡ እዩ፣ ዓባይን ናይ መወዳእታን ዕድል፡” ይብል። “ነታ ጽብቕቲ ሃገር ኣርጀንቲና ድማ ካብዚ ዘለዋ ከቢድ ሽግር ክትሕበነሉ እትኽእል ዕድል እዩ።” ኣብዚ፡ ሰዓታት ግጥም ፍጻመ እናቐረበ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ፓሪስ ምትእምማንን ፍናንን ናብ ዝለዓለ ደረጃኡ ይብርኽ። እዚ ግጥም፡ ፈረንሳ ንራብዓይ ግዜ ንፍጻመ ዝቐረበትሉ ኰይኑ ተመዝጊቡ’ሎ። ካብቶም ንደገፍቲ እዛ ሃገራዊት ጋንታ ዘሐጕሱ ወይ ፍናን ሂቦም ዘለዉ ሓደ፡ ስታትስቲካዊ መርኣዪታት ፈረንሳ ኣብ ዝሓለፈ 10 ጸወታታት ዋንጫ ዓለም ኣንጻር ጋንታታት ደቡብ ኣሜሪካ ገጢማ ከምዘይተሳዕረት ዘርእዩ ምዃኖም እዩ። ንመወዳእታ ግዜ ዝተሳዕረትሉ፡ ኣብ 1978 - ብኣርጀንቲና እዩ ነይሩ። እዚ፡ ነቲ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኪልያን ምባፐ ኩዕሶ እግሪ ደቡብ ኣሜሪካ ከም ኣውሮጳዊ \"ምዕቡል\" ኣይኰነን፤ ምኽንያቱ ኣብኡ \"ትሑት\" ዝደረጃኡ ውድድር'ዩ ዝካየድ፡ ክብል ዝሃቦ ፍሉጥ ርእይቶ ዘዘኻኽር እዩ። ንሱ፡ ነታ ናይ መወዳእታ ዋንጫ ዓለም ዝዓተረት ደቡብ ኣሜሪካዊት ጋንታ ብራዚል፡ ቅድሚ ዕስራ ዓመት ኣብ 2002፣ ኣርጀንቲና ድማ ድሕሪ 1986 ከምዘይተዓወተት ከም ኣብነት ጠቒሱ ነይሩ። ከምኡ'ውን ነቲ ንመወዳእታ ግዜ ፈረንሳን ኣርጀንቲናን - ኣብ ዙር 16 ዋንጫ ዓለም ሩስያ 2018 - ዝተራኸባሉ፡ ፈረንሳ 4ብ3 ዝተዓወተትሉን ባዕሉ ምባፐ ክልተ ሸቶታት ዘመዝገበሉን ጸወታ'ውን ኣብ ግምት ብምእታው እዩ። እዚኦምን ካልኦትን ፈረንሳ ርእሰ ተኣማንነት ንኽስምዓ ደሪኾም ዘለዉ ይመስሉ። ብኣንጻሩ ብመንጽር ኣርጀንቲና’ውን ሕነኦም ዝፈድዩሉ ዝያዳ ምኽንያታት ከም ዘሎ ይግመት። ኣብዚ ናይ ፍጻመ ግጥም፡ መሲን ምባፐን ሐሓሙሽተ ሸቶታት ኣቝጺሮም፣ ኦሊቨር ጅሩድ [ፈረንሳ] ጁሊያን ኣልቫረዝን [ኣርጀንቲና] ኸኣ ነፍስወከፎም ኣረርባዕተ ሸቶታት ኣመዝጊቦም፡ ንብሉጽ ኣመዝጋቢ ሸቶ ንእትወሃብ ወርቃዊት ጫማ'ውን ክወዳደሩ እዮም። \"ሓደ ሓደ ምልክታት ሰዓል መሳሊ ነገራት'ኳ እንተሎ፡ ዓቕሚ ምክልኻል ተጻወትና ንምሕላውን፡ እቲ ምልክታት ከይዝርጋሕን ልዑል ጥንቃቐ ንገብር ኣለና\" ብምባል ስክፍታኡ ዝገለጸ ኣሰልጣኒ ፈረንሳ ደሻምፕ፡ ብዙሓት ሰባት ገለ ፈረንሳውያን እንከይተረፈ፡ ሊዮነል መሲ ንዋንጫ ዓለም ከም ዝዕወተላ ግምት ኣሕዲሮም ኣለው፤ ንሕና ግን ነዚ ተጻዋታይ ደው ንምባል ዝከኣለና ክንገብር ኢና ኢሉ'ሎ። ፈረንሳውያን ብሓፈሻ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ጋንታኦም ናብዚ ደረጃ'ዚ ክትበጽሕ ምርኡይ ወሳኒ ተራ ዝጻወት ዘሎ ኪልያን ምባፐ ልዑል እምነትን ትጽቢትን ኣሕዲሮም ኣለዉ። ፕረዚደንት ኢማኑወል ማክሮን ምስ በዓልቲ ቤቱ ብሪጂት ናብ ቐጠር ነቒሉ ኣሎ። ማክሮን፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ንጸወታ ዋንጫ ዓለም ደቂ ተባዕትዮ ካብ ዝዳነዩ ናይ መጀመርታ ጓል ኣንስተይቲ ዝዀነት ዳኛ ስቴፋኒ ፍራፖርትን ካልኦት ሰብመዚ ስፖርትን ከሰንይዎ እዮም። እቲ ፕረዚደንት ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ መዓልታት ንኻልኣይ ግዜ እዩ ናብ ቐጠር ዝገይሽ ዘሎ። ኣብ ምጅማር ውድድር ዝኣተዎ መብጽዓ ንምፍጻም፡ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣንጻር ሞሮኮ ንዝተኻየደ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ብኣካል ተዓዚብዎ እዩ።","category":"ኣርጀንቲና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c721pj5p4kvo"} {"headline":"ሃንደበት ብነበርቲ ዓሳ ተኸቢቦም ዝነበሩ ሓምበስቲ ብሰላም ወጺኦም","content":"እቶም ሰባት፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣርጀንቲና እንዳሓምበሱ እንከለዉ ሃንደበት ብ12 ነበርቲ ዓሳ ተኸቢቦም'ኳ እንተነበሩ ብዘይ ገለ ጸገም ካብቲ ባሕሪ ወጺኦም።","category":"ኣርጀንቲና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw4wkyq78exo"} {"headline":"ኲናት፡'ባባ፡ ኣማኢት ሰባት’ዶ ቐቲልካ ኢኻ?","content":"ብዙሓት፡ \"ባባ ናይ ብሓቂ ኣማኢት ሰባት ቀቲልካ ዲኻ?\" ኢሎም ንስድርኦም ክሓቱ ኣይምደፍሩን። ብሱሩ'ውን ንወላዲኻ ቀታሊ ሰብ ዲኻ ኢልካ ምሕታት ነውራም ከብል ይኽእል'ዩ። ጽሕፉትኦም እዚኣ ዝኾነት ቆልዑ ስለ ዘለው ግን፡ ፈጺሞም ነዛ ሕቶ ካብ ምልዓል ኣይተቖጠቡን። ሓደ እዋን ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣናሊያ ቴሌፎን ክድወለላ እንከሎ ምስ ስድርኣ ዘረሓሕቕ ኩነታት ዝፈጥር ክኸውን'ዩ ዝብል ግምት ኣይነበራን። ኣዲኣ'ያ ደዊላ። \"'ኣይትሰንብዲ፤ ግን ባባ ተኣሲሩ ኣሎ። ማእሰርቱ ፖለቲካዊ'ዩ' ክትብለኒ እንከላ፡ ክሳብ መወዳእታ ኣቦይ ምስ ውልቀ መላኺ ስርዓት ምትእስሳር ክህልዎ'ዩ ዝብል ግምት ኣይነበረንን\" ትብል። ኣቡኣ ኤድዋርዶ ኢሚሎ ካሊኔክ፡ ኣብ ትሕቲ'ቲ ንኣርጀንቲና ካብ 1976 ክሳብ 1983 ዝገዝአ ጨካን ወተሃደራዊ ጁንታ ኣዛዚ ፖሊስ'ዩ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ኣብታ ሃገር ካብ ዘጋጠመ ዝኸፍአ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ እቲ ልዕሊ 180 ጉዳያት ጭውያ፣ ምስቓይን ቅትለትን፣ ኣብቲ ንሱ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ናይቲ ስርዓት ምስጢራዊ ቤት ማእሰርቲ ስለ ዝተፈጸመ እዩ ተኸሲሱ። እቲ ንሸውዓተ ዓመት ስልጣን ሒዙ ዝነበረ ወተሃደራዊ መንግስቲ፡ ንዝዀነ ከም ስግኣት ዝርእዮ ተቓዋዊ፣ ኮሚኒስታውያን፣ ማሕበርነታውያን፣ መራሕቲ ማሕበራት፣ ተመሃሮን ስነ-ጥበበኛታትን ዝኣመሰሉ ሰባት ዒላማ ገይሩዎም። ብመሰረት ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፡ ክሳዕ 30,000 ዝዀኑ ሰባት ተጨውዮም ብዘይሕጋዊ መገዲ ተኣሲሮም ጠፊኦም እዮም። ኣናሊያ ግን፡ ክሳብ መበል 25 ዓመታ ዘኽበረትሉ 2005 (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ኣቡኣ እዚ ዝኣክል ሚስጢር ከም ዝሓብአ ኣይትፈልጥን። ኣዲኣ ቴሌፎን እንተዘይትድውልከ? ብዝኾነ፡ ካሊነክ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ። ብዓልቲ ቤቱ ኣብ ፈለማ ተስፋ እኳ እንተነበራ ግን ፈጺሙ ኣይተፈትሐን። ኣብ 2010፡ ብዝፈጸሞ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ንሕልፈት ተፈሪዱ። \"ኣቦይ፡ ቀታሊ እዩ ኢልኪ'ዶ ትሓስቢ ኢኺ?\" ኢሉ ሓቲቱኒ ትብል ኣናልያ። \"እንታይ ክብል ደኣ ተጸብዩኒ? ነቲ ፍቑር ኣቦይ ኣዝየ እየ ዝቐርቦ ነይረ። ግን ከኣ በቲ ዝተፈጸመ ደንጽዩኒ።\" ፓውላ (ሽማ ዝተቐየረ) እውን ኣብ ሓደ እዋን ብዛዕባ ኣቡኣ ተመሳሳሊ ዝተሓብአ ዛንታ ፈሊጣ። ጓል 14 ዓመት እንከላ ፡ ንዓኣን ንሓዋን ናብ ሓደ እንዳ ሻሂ ወሲዱዎም። ስቪል ክዳን ተኸዲኑ ብሕቡእ ከም ዝስሊ ከኣ ነጊሩዎም። ዳሕራይ ነቶም ተቓወምቲ ከም ዝስልዮምን በቲ ስርዓት ከም ዘትሕዞምን ተረዲኣ። ፓውላ፡ \"ኣቦይ፡ ኣብቲ ዝጸልኦ ምልካዊ ስርዓት ብምትሕብባሩ ይሓፍርን ኣብቲ ተግባር ከም ተሓባበርኩን ኰይኑ ይስመዓኒ\" ትብል ። \"ሕጂ ግን ኣቦይ ከምኡ ከም ዝነበረ ፈሊጠ። ዝገብሮ እውን የብለይን። ነቲ ኽዕቅቦ ዘይደሊ ምስጢር ክሕዞ ኣይደልን'የ \" ትብል ። እዘን ኣዋልድ፡ ንታሪኽ ስድራ ቤተን ንክርድእኦ ዓመታት እዩ ወሲዱለን። ኣብዚ ቀረባ እዋን ከኣ ካብ ምዕቃቡ ክዛረባሉ መሪጸን። ኣካል እቶም ኣቦታቶም \"ጃምላዊ ቅትለት ዝፈጸሙ ኣወዳትን ኣዋልድን\" ዝብል ጉጅለ እየን። መምህርን ክኢላ ስነ ልቦናን ኣናሊያ ካሊኔክ ኣብ 1980 እያ ተወሊዳ። ኣብቲ ግዜ እቲ ወተሃደራዊ ጁንታ ኣርጀንቲና ምስ ጸጋማውያን ሓይልታት እታ ሃገር ኣብ ኲናት ተጸሚዱ ነይሩ። ስለዚ ኣቡኣ ፖሊስ ኮይኑ ክሰርሕ እንከሎ ዝነበራ ዝኽርታት ድሕሪኡ ካብ ዘሎ ግዜ'ዩ ዝጅምር። እዚ ማለት መግቢ እናሰርሐ፣ ደቁ ናብ ስፖርታዊ ክለባትን ምግፋፍ ዓሳን ክወስዶም'ያ ትዝክር። ንሳን ካልኦት ሰለስተ ኣሕዋታን ንኣሽቱ ከለዋን ክምርዐዋ እንከለዋን ኣብ ፖለቲካ እዚ ዝብሃል ድልየት ኣይነበረንን። ኣናሊያ፡ ኣዲኣ ቴሌፎን ምስ ደወለትላ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከይዳ ንኣቡኣ ሓቲታቶ'ያ። \"ክነዛርቦ እንከለና፡ 'ብዛዕባይ ዝብሉዎ ነገር ከይትኣምና፤ ኩሉ ሓሶት'ዩ' ኢሉና\" ትብል። ኣብ \"ኲናት\" ይቃለስ ስለ ዝነበረ ይቕሬታ ዝሓተሉ ነገር የለን ብምባል ሕጂ እቶም \"ጸጋማውያን\" ሕነ ይፈድዩ ብምህላዎም ይቕጻዕ ከም ዘሎ ይዛረብ ነይሩ። ግን እቲ ዝብሎ ዝነበረ ዋላ ሓደ ይተረድኣንን\" ኢላ። ኣናሊያ፡ እቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ሕሉፍ ዝነበረ'ዩ ኢላ ስለ እትኣምን፡ ናይ መጀመርታ ክልተ ዓመታት ማእሰርቲ ኣቡኣ ንምቕባል እናተጸገመት ኣሕሊፋቶ። \"ንስድራ እቶም መቕርባቶም ዝጠፍኡዎም ሰባት ደጊፈ'የ። ግን ድማ ኣቦይ ምስቲ ዝተፈጥረ ነገር ዘተኣሳስሮ የለን። ዝኾነ ጌጋ ኣሎ'ዩ እብል ነይረ። መስርሕ ፍርዲ ምስ ጀመረ ግን ኩሉ ነገር ከምቲ ኣቦይ ዝነግረና ዝነበረ ከም ዘይኮነ ክግንዘብ ጀሚረ\" ትብል። ወላዲ ኣናሊያ፡ ኣዝዮም ዘስካሕክሑ ገበናት ከም ዝፈጸመ ዝገልጽ በዓል 800 ገጽ ሰነድ መሰኻኽር ግዳያት ምስ ቀረበ \"ብዛዕባ እቶም ናይ መሓዩር ማእከላት ከንብብ ጀሚረ፤ ንዑኡ ከም ካርታ እናርኣኹ ንኣቦይ ኣብቲ ቦታ ከእትዎ ኣዝየ ተጸጊመ\" ብምባል ትገልጽ። ካሊኔክ ናብቶም ዝሰርሓሎም ዝነበረ ኣብያተ ማእሰርቲ ክኸይድ እንከሎ 'ዶክተር ኬይ' ዝብል ሳጓ ይጥቀም ስለ ዝነበረ እቶም ግዳያት ብትኽክለኛ ሽሙ ኣይፈልጡዎን። \"ስለምንታይ'ዮም በዚ ሳጓ ዝጽውዑኻ ኢለ ክሓቶ እንከለኹ፡ ኩል ግዜ ትኽክለኛ ነገር ይሰርሕ ከም ዝነበረን በዓል ሞያ ሕጊ'የ ዝመስል። ንክኢላታት ሕጊ ድማ ዶኳትር ኢልና ኢና ንጽውዖም ኢሉኒ። ግን ድማ ኣብቲ ዝፍጸም ዝነበረ ግፍዒ ዘማእኽል \"ዶክተር\" ስለ ዝነበረ'ውን ክኸውን ይኽእል ከምኡ ኢሎም ዝጽውዑዎ\" ትብል። ኣብ መወዳእታ ኣናሊያ ኣቡኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እናሃለወ ሓቂ ሓቃ ነውግዕ ኢላቶ። \"ከምኡ ምስ በልኩዎ ምኽንያት ከተቕርበሉ ንዘይግባእ ነገር ምኽንያት ዘቕርብ ቁጡዕ ሰብኣይ ኮይኑኒ። ከምኡ ኮይኑ'ውን እቲ ዝፈርሖን ዝጥርጥሮን ዝነበርኩን ጉዳይ ኣረጋጊጹለይ። ኣካል እቲ ዝፍጸም ዝነበረ ግፍዒ ከም ዝኾነ ነጊሩኒ\" ብምባል ኣዝያ ከም ዝሰንበደት ትዛረብ። እዚ፡ ምስ ኣቡኣ ጥቡቕ ዝምድና ፈጢራ ጥዑም ናይ ቁልዕነት ግዜ ንዘሕለፈት ኣናሊያ ቀሊል ኣይነበረን። \"ብሓደ ገጽ ኣቦይ ኣሎ፤ በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ኣሳቓዪ ክብል ጀሚረ። ጸኒሑ ግን ሓደ ዓይነት ሰብ ከም ዝኾነ ተረዲኡኒ\"። ብርክት ዝበሉ ሰባት፡ ኤድዋርዶ ካሊኔክ ኣብቲ ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለያ መሓዩራት ዝፍጸሙ ዝነበሩ ምስቅያት ተሳታፊ ከም ዝነበረ ምስክርነት ሂቦም። ኤድዋርዶ (ዶክተር ኬይ) ኣብ ክሊ ዕድመ መፋርቕ 20ታት ዝርከብ፣ ሓፊስ ፍምጺ ዘለዎ፣ ሓጺር፣ ህጡርን ቀጢን ጭሕሚ ዝነበሮን ሰብ'ዩ ኢሎም ኣለልዮምዎ። \"ኣዝዩ ዝፍራሕ\"ን \"ጨካን\"ን እዩ ብምባል ድማ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ቃሎም ዝሃቡ ውጻእ መዓት ይዛረቡ። መብዛሕትኦም እሱራት ግን ክሳብ ሕጂ \"ጠፊኦም\" እዮም ተባሂሉ ስለ ዝውሰድ፡ ተቐቲሎም ከም ዝኾኑ እዩ ዝግለጽ። ካልእ ኣና ማሪያ ዝተባህለት በዓልቲ ታሪኽ፡ ፖሊስ ክወስዱዋ እንከለው ጓል 16 ዓመትን ናይ ሰለስተ ወርሒ ነፍሰጾር ኣደን ነይራ። \"ዶክተር ኬይ\" ኣብ ጥቓ ሽቓቕ ስለ ዝረኸባ ሃሪሙዋ፤ ጥንስቲ ምዃና ስለ ዘይነገረቶ'ውን ተቖጢዑ። \"ኣእጋርኪ ከፊተ እቲ ቖልዓ ክንጽለልኪ ዲኺ ደሊኽኒ?\" ኢሉ ተቖጢዑ። ኣብቲ እዋን ጓል 22 ዓመት ዝነበረት ዲላ ባሬራ'ውን፡ ገዛ ገዛ ብዝካየድ ዝነበረ ተፍትሽ ካብ ገዝኣ ተጨውያ ሽጉጥ ናብ ግምባራ ብዘነጻጸሩ ደቂ ተባዕትዮ እናተደፍአት ናብቲ ኤድዋርዶ ካሊኔክ ዝነበረሉ ሕቡእ ቤት ማእሰርቲ ኤል ኣትሌቲኮ ተወሲዳ። \"ዓይነይ ተሸፊኑ ስለ ዝነበረ ድምጺ ይሰምዕ ነይረ። ጥራሕ ነብሰይ ኣውጺኦም ኣብ ሓደ ናይ ሓጺን ዓራት ኣሲሮምኒ። ድሕሪኡ ብኤሌክትሪክ ከሳቕዩኒ ጀሚሮም። ኣብ መደበር ፖሊስ ጣቢያ ቦንባ ኣቐሚጥኪ ኢሎም'ዮም ዝኸሱኒ ነይሮም፤ ዘይውዓልኩዎ። ሽም እቶም ዕጡቓት ሚሊሻታት'ውን ክነግሮም ይደልዩ ነይሮም\" ብምባል እቲ ዝሓለፈቶ ትዝክር። ኣብ መበል 92 ናይ ማእሰርቲ መዓልታት ድማ ንካሊኔክ ረኺባቶ፤ ሕጂ'ውን ዓይና ተሸፊኑ'ዩ ዘሎ። መሰንገላ ከም ዝተሰብረ ስለ ዝነገራ \"ዶክተር ኬይ\" ናይ እማን ዶክተር'ዩ ዝብል ግምት ነይሩዋ። \"ከምኡ ኮይነ'ውን ፈጺመ ዝርስዖ ሰብ ስለ ዘይነበረ ዳኛ 'ካብዚኦም እቲ ተኸሳሲ ከተለልዪ ትኽእሊ'ዶ?' ኢሉ ምስ ሓተተኒ እንሀለ 'ዶክተር ኬይ' እየ ኢለዮም\"። ኤድዋርዶ ካሊኔክ ንክፍረድ ሓደ ዓመት'ዩ ወሲዱ። ልዕሊ ሓደ ሽሕ ወተሃደራትን ኣዘዝቲ ፖሊስን ዝነበሩ ውልቀሰባት ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተኸሲሶም ከቢድ ማእሰርቲ ተፈሪዱዎም። ካልኦት 370 ክስታት ድማ ሕጂ'ውን ኣብ መስርሕ ስርዓት ፍትሒ ኣርጀንቲና ኣለው። እንተኾነ ኩሎም እቶም ገበን ዝፈጸሙ ሰባት ናብ ፍትሒ ኣይቀረቡን። መብዛሕትኦም እኹል መርትዖ ክቐርበሎም ስለ ዘይክኣለ ሓላፍነት ዝወስድ ኣካል ኣይተረኸበን። ኣናሊያ ኣቡኣ \"ኣካል እቲ ስርዓት ከም ዝነበረ ነጊሩኒ'ዩ፤ በዚ ድማ ሕቡን ነይሩ፤ ከም ጅግና'ዩ ዝሓስብ ነይሩ\" ብምባል ክሳብ እቶም ፈጺሙዎም ዝብሃል ገበናት እትፈልጥ በዓል ሞያ ሕጊ ከም ዝኾነ እያ ትፈልጥ ነይራ። ልክዕ ከም ኣናሊያ፡ ፓውላ'ውን ኣቡኣ ብዛዕባ ዝቐረበሉ ክሲ ሓቲታቶ'ያ። ንሱ ግን \"ሽብርተኛታትን ኮሚንስትን\" እዮም ነይሮም ብምባል ይምልሰላ። ኣብ ኢዱ ክንደይ ዝኣክል ደም ከም ዘሎ ኣይፈልጥን እትብል ፓውላ፡ \"እቶም ገበናት ክፍጸሙ ግቡእ ከም ዝነበረ'ዩ ዝዛረብ። ንሱ ገበናት ዘይኮነ 'ተግባራት' ኢሉ'ዩ ዝገልጾም\" ትብል። ነቲ ሓቂ ምስ ፈለጠት ድሕሪ 10 ዓመት ኣዲኣ ሞይታ። ፓውላ'ውን ምስ ኣቡኣ ዝነበራ ርክብ በቲኻ። ኣብ መወዳእታ 2019፡ ወቕዒ ልቢ ኣጋጢሙዎ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስደ ክንገራ እንከሎ ከይዳ ክትሓቶ ኣይደለየትን። ምስ ሞተ'ውን ኣብ ስርዓት ቀብሪ ኣቡኣ ይተረኸበትን። ቅድሚ ሒደት ዓመታት፡ ኣናሊያ፣ ፓውላን ካልኦት ንግብሪ ወለዶም ዝኹንኑ ደቂ ወተሃደራትን ኣዘዝቲ ፖሊስን ተራኺቦም። ርክቦም ሃንደበታዊ ኣይነበረን። እኳ ድኣ ኣብ 2017 ፕሬዝደንት ማእከላይ - የማናዊ- መንግስቲ ማውሪሲዮ ማርሲ: በዓል ኤድዋርዶ ካሊኔክ ዝርከቦም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፈጸሙ እሱራት ክፍትሑ ብዘሕለፎ ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተቖጢዖም'ዮም ተራኺቦም። ፍርቂ ሚሊዮን ተቓወምቲ ኣብ ጎደናታት ኣርጀንቲና ብምውጻእ ነቲ ውሳነ ተተቓዊሞሞ። \"እቲ ስቕታ ክስበር ክዛረብ ኣለኒ ኢለ ወሲነ፤ 'ግልጺ ንኹን፤ ንድሕሪት እንምለሰሉ ምኽንያት የለን። ኣቦታትና ንዝፈጸሙዎ ገበን ዋጋ ክኸፍሉ ኣለዎም ኢለ\" ትብል። ስለዝኾነ ድማ፡ ብመልክዕ ማኒፌስቶ ኣዳልያ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ዘርጊሓቶ። ተነቢቡ። \"ድሕሪኡ ክንራኸብ ጀሚርና፤ ብሓደ ኮይንና ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ክንገብር ጀሚርና። መጀመርታ ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ኢና ነይርና። በይነይ ከም ዘይኮንኩን ካልኦት ከማይ ዝበሉ ከም ዘለውን ምስ ፈለጥኩ ደስ ኢሉኒ። ንሳቶም'ዮም ካብቲ ካልእ ሰብ ንላዕሊ ክርድኡኒ ዝኽእሉ\" ትብል። ቅድሚ ምኽሪ ስነ ልቦና ካብ እትልግሰላ ብዓልቲ ሞያ ወጻኢ ንኻልኦት ብዛዕባ ኣቡኣ ክትዛረብ ከም ዘይትኽእል እትገልጽ ኣናሊያ፡ ድሕሪ 23 ዓመታት ነዚ ኩነታት ሰይራ ክትወጽእ ብምኽኣላ ከም እትሕበን ትዛረብ። ብዛዕባ እቲ ወለድና ዝፈጸሙዎ ገበን ስቕ ኣይንብልን ንዛረብ ዝብል ጉጅለ 80 ኣባላት ዘለውዎ ኮይኑ፡ መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ'የን። ሰሙናዊ ድማ ይራኸቡ። ብሓባር ይበልዑ፣ ብዛዕባ ፖለቲካ የውግዑ፣ ስምዒታቶም ብግልጺ ኣውጺኦም ይዘራረቡ ከምኡ'ውን ብዛዕባ ቀጻሊ መደባቶም ትልሚ የውጽኡ። እዚኦም ወለዶም ብዛዕባ ዝፈጸሙዎ ገበን ከም ዘይዛረቡ ስለ ዝፈልጡ፡ መቕጽዒ ገበን ኣርጀንቲና ክመሓየሽን ደቆም ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ምስክርነት ክህቡን ይጠልቡ። \"ኣብ ውሽጢ ተባዕታዊ ኣተሓሳስባ ዝስዓሮ ሕብረተሰብ ኣንጻር ወላዲኻ ምዝራብ ዝኹነን ተግባር'ዩ። ኣቦኻ ደምካ'ዩ። ኣቦኻ ንሰባት ዘሳቒ፣ ዓማጺ ወይ ሰራቒ እንተኾይኑኸ? ስቕ ክትብል ኣለካ ማለት ድዩ\" ብምባል ኣላኒያ ትሓትት። ኣብ ውሽጢ እቶም ወለዶም ብዝፈጸሙዎ ገበን ተሓተትቲ ክኾኑ ዝጉስጉሱ ቆልዑት፡ \"ደቆም ዝነበርና\" ኢሎም ንርእሶም ዝጽውዑ'ውን ኣለው። ፓውላ ወላዲኣ ብህይወት እናሃለወ \"ንስኻ ካብ ሰባት ብዙሕ ነገር ወሲድኻ ኢኻ፤ ብሽምካ ክጽዋዕ ኣይደልን፤ ኣርኪስካዮ . . . ኣጸሊምኻዮ ኢኻ። ስለዚ ኣነ ከጽርዮ'የ\" ኢላቶ'ያ። \"ሕጂ እውን እንተኰነ፡ ኣብ ኣርጀንቲናን መላእ ዓለምን ንዝርከቡ ምስ ገበነኛታት ርክብ ዘለዎም ሰባት ኣብ ዝሃለው ይሃልው ብዘየገድስ ክዛረቡ ኣለዎም። ክሳብ መወዳእታ ከኣ ቃልሰይ ክቕጽል እየ\"ትብል ።","category":"ኣርጀንቲና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/56512348"} {"headline":"ኣርጀንቲና ተዓዋቲት ዋንጫ ዓለም 2022 ኰይና","content":"ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ዛጊት ካብ ዝተራእዩ ኣገረምቲ ናይ ፍጻመ ጸወታት ሓደ ዝዀነ ግጥም፡ ሃራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ብፍጹም ቅላዕ ዋንጫ ክትዓትር እንከላ፡ ሊዮነል መሲ ናይ ዋንጫ ዓለም ሕልሙ ኣዐዊቱ ኣሎ። ኣብቲ ኣብ መንጐ ወዲ 35 ዓመት ሜሲን ፈረንሳዊ ኮኾብ ኪልያን ምባፐን ከቢድ ንሕንሕ ዝተረኣየሉ ዘደንቕ ጸወታ፡ ክልቲአን ሃራውያን ጋንታታት ማዕረ ድሕሪ ምውጸአን ብፍጹም ቅላዕ ኣርጀንቲና 4 ን 2 ስዒራ። ምባፐ ድሕሪ 1966 ንፈለማ እዋን ኣብ ናይ ዋንጫ ጸወታ ሰለስተ ሸቶታት (ሃትሪክ) ብሽሙ ብምምዝጋብ ታሪኽ ዝሰረሐ ኰይኑ፡ ፈረንሳ ግን ኣብቲ ኣብ ሜዳ ሉሰይል ዝተኻደ ግጥም ካብ ስዕረት ኣይደሓነትን። ኣብቲ ግጥም፡ ፈለማ ኣርጀንቲና ብ 2 ሽቶታትክትመርሕ እንከላ፡ መሲ ነታ ኣብ ዝነኣድ ናይ ኩዕሶ ታሪኹ ተሪፋቶ ዝነበረት ሓንቲ ዋንጫ ዓለም ብቐሊሉ ከዐውታ እዩ ዝብል ግምት ፈጢሩ ነይሩ። ኰይኑ ግን ምባፐ ኣብ ውሽጢ ክልተ ደቓይቕ ክልተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ንተስፋ ኣርጀንቲና ማይ ሓዊስሉ። ኣብ መበል 23 ደቒቕ፡ ፈረንሳዊ ደምበለ ኣብ ልዕሊ ዲ ማርያ ብዝፈጸሞ ጌጋ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ፍጹም ቅላዕ ረኺባ፤ መሲ ድማ ፈላመይቲ ሸቶ ኣቝጺሩ። በዚ መሰረት ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ኣብ ሓደ ውድድር፡ ኣብ ናይ ምድብ፡ ዙር 16፡ ፍርቂ ፍጻመን ፍጻመን ጸወታታት ሽቶ ዘቝጸረ እንኮ ተጻዋታይ ኰይኑ። መሲ ኣብታ ድሕሪ 13 ደቓይቕ ዲ ማርያ ዘቝጸራ ሽቶ እውን ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። እቲ ኣርጀንቲናዊ ኮኾብ ኣብ ተወሳኺ ሰዓት ሳልሰይቲ ሸቶ ኣቝጺሩ ንሃገሩ ናብ መሪሕነት መሊስዋ'ኳ እንተነበረ እቲ ጸወታ ክዛዘም ክልተ ደቒቓ ክተርፎ እንከሎ ምባፐ ሳልሰይቲ ሸቶ ብምቝጻር እቲ ጸወታ ናብ ፍጹም ቅላዕ ክቕጽል ገይሩ። ኣብ መጀመርታ ፍጹም ቅላዕ ክልተ ጽቡቓት ሸቶታትት እኳ ተመዝጊበን እንተነበራ፡ ሓላዊ ልዳት ኣርጀንቲናን ኣስቶን ቪላን ዝዀነ ኢሚልያኖ ማርቲነዝ ካብ ፈረንሳዊ ኪንግሰለይ ኮማን ዝተቐለዐት ኩዕሶ ኣድሒኑ፤ ካልእ ፈረንሳዊ ትቾመኒ እውን ስሒቱ። ምባፐ ሕልሚ ሊዮኔል መሲ ከበርዕን ኣብ ጫፍ በጺሑ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ኣይሰመረሉን። ምባፐ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ 1966 እንግሊዝ ንምዕራብ ጀርመን ኣብ ዝሰዓረትሉ ጸዋታ ዋንጫ ዓለም፡ ሰር ጂዮፍ ሀርስት ዘቝጸረን ሰለስተ ሸቶታት፡ ሃትሪክ ብምስራሕ ካልኣይ ተጻዋታይ ኰይኑ ታሪኽ ሰሪሑ። ኰይኑ ግን በቲ ዘጋጠሞም ስዕረት እቲ ወዲ 23 ዓመት ኣዝዩ ሓዚኑ ተራእዩ። ዋላ'ኳ ፈረንሳውያን፡ ነቲ ብራዚልን ኢጣልያን ዝሓዛኦ ንተኸታታሊ ክልተ ግዜ ዋንጫ ናይ ምውሳድ ታሪኽ ንምክፋል ድልየት እንተነበሮም፡ ምባፐ ን 80 ደቓይቕ ልክዕ ከም ካልኦት ደቂ ጋንታኡ ብዙሕ ምንቅስቓስ ኣይገበረን ነይሩ፡፡ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ ዲድየር ደሻምፕስ እውን ኣብ ፈላማይ እብረ ጸወታ ተጻዋትቲ ክቕይር ተገዲዱ እዩ። ኰይኑ ከኣ ኮኾብ ኮይኑ ዘምሰየ ምባፐ፡ ብዘደንቕ ንከይዲ እቲ ጸወታ ቀይርዎ።","category":"ኣርጀንቲና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c2lqe32vypqo"} {"headline":"ድያጎ ማራዶና፡ ኣብ እዋን ሕማሙ ትሑት ሕክምናዊ ክንክን ከምዘጋጠሞ ጸብጻብ ወጺኡ","content":"ውሩይ ኣርጀንቲናዊ ተጻዋታይን ኣሰልጣንን ነፍስሄር ድያጎ ኣርማንዶ ማራዶና ኣብ እዋን ሕማሙ ትሑት ሕክምናዊ ክንክንን ሓልዮትን ከምዘጋጠሞ፡ ንኣማውትኡ ኣመልኪቱ መጽናዕቲ ዘካየደ ጉጅለ ሓካይም ገሊጹ። ድያጎ ኣርማንዶ ማራዶና ኣብ 25 ሕዳር 2020 ምስ ዓረፈ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣርጀንቲና ኣማውትትኡ ክምርመር ምእዛዞም ይዝከር። ድያጎ ኣርማንዶ ማራዶና ኣብ መበል 60 ዓመቱ'ዩ ኣብ ቦነስ ኣይረስ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ቤቱ ብሕማም ልቢ ሞይቱ። ማራዶና፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር'ውን ኣብ ሓንጎሉ ዘጋጠሞ ምርጋእ ደም ንምእላይ ዕዉት መጥባሕቲ ኣካይዱ ነይሩ። ወሉፍ ኣልኮላዊ መስተ ዝነበረ ድያጎ ኣርማንዶ ማራዶና፡ ካብቲ ወልፊ ንምንጋፍ ዝሕግዞ ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ'ውን ኣብ መደብ እዩ ነይሩ። ዓለምና ካብ ዘርኣየቶም ድንቂ ዝኾነ ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ ሓደ ዝኾነ ማራዶና፡ ሓሽሽ ዝወስድን ወሉፍ ኣልኮላዊ መስተ ስለዝነበረን ኣብ ህይወቱ ብዙሕ ጸገማት እዩ ዘሕልፍ ነይሩ። ኣብ 1986 ዝተካየደ ዋንጫ ዓለም ሓለቓ፡ ጋንታ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ብምዃን ንሃገሩ ዋንጫ ዘግዘመ ማራዶና፡ ሞቱ ምስ ተሰምዐ ብዙሓት ኣፍቀርቲ ኵዕሶ እግሪ ኣብ ሓዘን ተሸሚሞም እዮም፡ ኣብ ሕክምና ዝግበረሉ ዝነበረ ሕክምናዊ ናብዮት ዝምልከት'ውን ብዙሕ ሕቶታት ክልዓል ጀሚሩ። ማራዶና ምስ ሞተ ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ኣኽበርቲ ሕጊ ኣርጀንቲና፡ ኣብ እዋን ሕማም ማራዶና ዝኣልይዎ ዝነበሩ ሓካይምን ነርስታትን መርመራ ክካየደሎም ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም። እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት 20 ኣባላት ሰብ ሞያ ሕክምና ዝሓቐፈት ጉጅለ ብምቋም፡ ማራዶና ኣብ እዋን ሕማሙ ዋሕደ ክንክንን ዕሽሽነትን የጋጥሞ እንተነይሩ መጽናዕቲ ብምክያድ ጸብጻባ ከተቕርብ ስልጣን ሂቦማ። እቲ በቶም መርመራ ዘካየዱ ሰብ ሞያ ጥዕና ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ብዓርቢ'ዩ ኣብ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ተቓሊሑ። እቲ 70 ገጽ ዘለዎ ጸብጻብ፡ ማራዶና ቅድሚ ሙማቱ ኣብ ዝነበረ 12 ሰዓታት ብጽኑዕ ከምዝሓመመን፡ ኣብቲ እዋን እቲ ግቡእ ምክትታል ከምዘይተገበረሉ ዝገልጽ ጸብጻብ ሰፊሩ ኣሎ። ነቲ በቶም ሰብ ሞያ ዝተውሃበ ጸብጻብ ብምጥቃስ ናይ ኣርጀንቲና ጋዜጣ ክላሪን፡ እቶም ንማራዶና ዝከታተሉ ዝነበሩ ሰብ ሞያ ሕክምና ጉድለት ከምዝነበሮም ገሊጾም። እቶም ነቲ ጸብጻብ ዘቕረቡ ሰብ ሞያ፡ ማራዶና ኣብ ክንዲ ኣብ ገዝኡ፡ ኣብ ሕክምና ከይዱ ግቡእ ሕክምናዊ ምክትታል እንተዝግበረሉ ነይሩ ናይ ምድሓን ዕድል ነይርዎ'ዩ ኢሎም። እቶም ጸብጻብ ዘቕረቡ ጉጅል እቶም ንማራዶና ዝከታተሉ ዝነበሩ ሰብ ሞያ ሕክምና \"ዘይብቑዓትን ዘይግዱሳትን'ዮም\" ኢሎም ከምዝገለጽዎም ቅደሕ እቲ ጸብጻብ ዝበጽሖ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣቃሊሑ። ናይ ማራዶና ውልቃዊ ሓኪም ዝኾነ ወዲ 39 ዓመት ልዮፖልዶ ልኳዋንን ውልዋዊ ሓኪም ኣእምሮ ናይ ማራዶናን ካብቶም ብኣክበርቲ ሕጊ ኣርጀንቲና መርመራ ዝተኻየደሎም እዮም። ብመሰረት እቶም ሰብ ሞያ ዘቕረብዎ ጸብጻብ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣርጀንቲና ኣብ ልዕሊ ሓካይም ማራዶና ክሲ ክምስርቱ ድዮም ግን ብሕጂ'ዩ ክረአ። ጋዜጣ ክላሪን፡ ነቲ ጸብጻብ ምርኩስ ብምግባር እቶም ሓካይም ናይ ማራዶና ብቕትለት ሰብ ክክሰሱ ከምዝኽእሉ ኣብ ዓምድታታ ኣስፊራ። እቲ መርመራ ከካየድ ክልተ ደቁ ንማራዶና እየን ናብ ቤት ፍርዲ ብምዃድ ከሲ መስሪተን፡ ደቂ ማራዶና፡ ኣቦአን መጥባሕቲ ናይ ሓንጎል ምስ ተገበረሉ ኣብቲ ዝግበረሉ ዝነበረ ሕክምናዊ ኣልያ ስክፍታ ከምዝነበረን ብምግላጽ'የን መርመራ ክካየድ ናብ ቤት ፍርዲ ሕቶ ኣቕሪበን። ውልቃዊ ሓኪም ማራዶና ልዮፖልዶ ልኳዋ፡ ዝኾነ ዝተፈጸመ ጌጋ ከምዘይነበረ ብምግላጽ ነቲ ዝወጽአ ጸብጻብ ነጺግዎ ኣሎ። ዶክተር ልዮፖልዶ ልኳዋን፡ ድሕሪ ሞት ኣርማንዶ ማራዶና ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ህይወት ዓርኩ [ማራዶና] ንምድሓን ኩሉ ዝክኣሎ ነገር ከምዝገበረ ብስምዒት ገሊጹ ነይሩ።","category":"ኣርጀንቲና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56958713"} {"headline":"ልዮነል መሲ ምስ ፔለ ዘመዓራርዮ ክብረወሰን ረኺቡ","content":"ኣርጀንቲናዊ ልዮነል መሲ ትማሊ ጋንትኡ ባርሲሎና ምስ ቫለንሽያ ማዕረ ኣብ ዝወጽኣትሉ ግጥም ሓንቲ ሸቶ ብምምዝጋቡ ምስ ፔለ ክመዓራረ ክኢሉ። ሜሲ በታ ትማሊ ዘመዝገባ ሸቶ ተሓጊዙ፡ ምስ ጋንታ ባርሲሎና ኮይኑ ዘመዝገቦ ሸቶ 643 ብምብጽሑ፡ ኣብ ሓንቲ ጋንታ ኮይኑ ብዘመዝገቦ ሸቶታት ምስ ብራዚላዊ ንጉስ ኵዕሶ እግሪ ፔለ ክመዓራረ ክኢሉ ኣሎ። ወዲ 33 ዓመት ልዮነል መሲ፡ ምስ ጋንታ ባርሲሎና ኮይኑ ጸወታ ኣብ ዝመጀረሉ፡ ኣብ 2005 እዩ ኣብ ልዕሊ ጋንታ ኣልባሴራ ብዘመዝገባ ሸቶ ኣሃዱ ኢሉ ጀሚሩ። ብራዚላዊ ፔለ ብወገኑ ምስ ጋንታ ሳንቶስ ኮይኑ ካብ 1956 ክሳብ 1974 ኣብ ዝተጻወተሉ 643 ጎላንት ከመዝግብ ክኢሉ። እንተኾነ ልዮነል መሲ ጋንትኡ ካብ ቀዳመይቲ ዘላ ኣትለቲኮ ማድሪድ ብትሽዓተ ነጥቢ ድሒራ ኣብ ሓሙሻይ ደረጃ ተሰሪዓ ብምህላዋ ንጻወትኡ ብድምቐት ክጽንብል ኣይከኣለን። ልዩነል ሜሲ ኣብዚ ትማሊ ዘካየዶ ጸወታ ልዕሊ ፔለ ጸብለል ከተብሎ ትኽእል ዝነበረት ወርቃዊት ዕድል ከሲሩ’ዩ። ዳኛ ንባርሲሎና ፍጹም ቅላዕ ኣብ ዝሃበሉ፡ ሜሲ ንዝቐልዓ ፍጹም ቅላዕ ሓላዊ ልዳት ቫለንሽያ ዶመነች ብዘደንቕ ኣገባብ ከድሕና ብምኽኣሉ ሜሲ ልዕሊ ፔለ ጸብለል ክብለሉ ዝኽእል ዕድል ኣባኺኑ።","category":"ኣርጀንቲና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55383574"} {"headline":"እቲ 'ዘይድገም' መሲ፡ ኣብ 1000 ጸወታኡ ሕልሚ ሃገሩ ኣድሚቝ","content":"ኮኸብ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ኣርጀንቲናዊ ሊዮነል መሲ፡ ክልተ ግዜ ተዓዋቲት ዋንጫ ዓለም ንዝዀነት ሃገሩ ንኣውስትራልያ ረቲዓ ናብ ርብዒ ፍጻመ ክትሓልፍ እንከላ ንዕኡ ድማ መበል ሓደ ሽሕ ጸወታኡ’ዩ ነይሩ። መሲ ኣብቲ ናይ ትማሊ ምሸት፡ መበል ሓደ ሽሕ ጸወታኡ፡ ኣብ መበል 35 ደቒቕ ንሃገራዊት ጋንታኡ ሸቶ ብምቝጻር ተወሳኺ ታሪኽ ሰሪሑ'ሎ። ንፓሪስ ሴንት ጀርመይን ዝጻወት መሲ ዘገርም ኣወዳድኣ ኵዕሶ ኣርእዩ፣ ነቶም ተስፋ ስኢኖም ቅህምም ኢሎም ዘምሰዩ ደገፍቲ ጋንታኡ ብታሕጓስ እተሰራርስ ሸቶ ኣቝጺሩ። እታ ሸቶ ንመሲ፡ መበል 789 ክትከውን እንከላ፡ ካብዚአን እተን 94 ሸቶታት ንሃገሩ ኣርጀንቲና ዘቝጸረን’የን። መሲ ኣብቲ ኣብ ቐጠር ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም ብዝሒ ሸቶ ካብ ዘቝጸሩ ተጻወትቲ ንምንሕናሕ ዘኽእሎ ሸቶ’ዩ ኣቝጺሩ። ኣውስትራልያ ኣብቲ ናይ ትማሊ ምሸት ጸወታ ክሳዕ 35 ደቃይቕ ንኣርጀንቲና ኣርዒዳታ'ኳ እንተነበረት ብድሕሪኡ ግን ዓብላልነት ጸወታ ብኣርጀንቲና ተመዚዓ እያ። መሲ ኩዕሶ ኣብ ዝሕዘሉን ዝቐልዓሉን ዝነበረ እዋን፡ እቲ ስታድዮም ክናወጽ ኣምስዩ። ኣብቲ መሲ፡ ከም ሓለቓ ጋንታ ኣርጀንቲና ብምዃን ንመበል ሓደ ሚእቲ ዝተሰለፈሉ ጸወታ፡ ጁሊያን ኣልቫረዝ ኣብ መበል 57 ደቒቕ ሸቶ ደጊሙ ንዓወት ጋንታኡ ርጕጽ ገይርዎ። እቲ ጸወታ፡ ክውዳእ 13 ደቓይቕ ምስ ተረፎ - ኣብ 77 ደቕቕ - ብኣርጀንቲናዊ ኢንዞ ፈርናንደዝ ተጨሊፋ ዝኣተወት ሸቶ ረኺባ ኣውስትራልያ፤ ጸወታ 2 ብ 1 ተዛዚሙ። መሲ፡ ኣብ ግጥማት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ዋንጫ ዓለም ሸቶ ዘመዝገበ ዝዓበየ ኣርጀንቲናዊ ኰይኑ - ነዚ 'ክብረወሰን' ካብ ሮበርቶ ኣያላ ወሲድዎ’ሎ። ንሱ ሓደ ካብቶም ኣብ 5 ዝተፈላለየ ውድድራት ዋንጫ ዓለም ዝተሳተፉ 6 ተጻወትቲ እዩ። መሲ፡ ድሕሪ 35 ዓመቱ ብውሕዱ ሰለስተ ሸቶታት ዋንጫ ዓለም ዘመዝገበ፡ ድሕሪ’ቲ 5 ሸቶታት ዝመዝገበ ካሜሩናዊ ሮጀር ሚላ ዝስራዕ ካልኣይ ተጻዋታይ ኰይኑ’ሎ። ኣብ ርእሲ’ዚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ መሲ፡ መወዳእታ ዓመታት ጸወታኡ ካብ ሮናልዶ ኣዝዩ ዝሓሸ ዝኸይድ ዘሎ ይመስል ዝብል ትንታነ ይቐርብ ኣሎ። መሲ ካብ ሮናልዶ ብኽልተ ዓመት ይንእስ፣ እንተዀነ ኵሉ ግዜ ኣዝዩ ዝበሰለ፡ ክትኣምኖ ዘጸግም ብልሒ ዘለዎ 'ዘይድገም' ተጻዋታይ እዩ፡ ይበሃለሉ'ሎ።","category":"ኣርጀንቲና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cxwe3lrreg3o"} {"headline":"ሃንደበት ምስ ዓሳነባሪ ዝተራኸበት ጀላቢት!","content":"ኣብ ዶባት ኣርጀንቲና እንዳጀለበት እንከላ ክልተ ዓሳነባሪ ናብቲ ዝነበረትሉ ቦታ መጺኦም ከምዝተንከፍዋ ትዛረብ። ከም ኣጋጣሚ መዓልቲ ልደታ ስለዝነበረ ኣዝዩ ባህ ከምዝበላ ገሊጻ።","category":"ኣርጀንቲና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58498257"} {"headline":"ብሞት ዲዮጎ ማራዶና ዝኽሰሱ ሓካይም ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ’ዮም","content":"ብሞት ኮኾብ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ኣርጀንቲናዊ ዲዮጎ ማራዶና ዝተኸሰሱ 8 ሰብሞያ ጥዕና ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ’ዮም። ንሞት ማራዶና ንምጽራይ ዝቖመ ኣካል፡ ዝተዋህቦ ሕክምናዊ ክንክን ብዙሕ “ጉድለታት” ከምዝነበሮ ድሕሪ ምግላጹ፡ ሓደ ዳኛ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፡ እቶም ሓካይም ብሞቱ ክሕተቱ ስለዘለዎም ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ኣዚዙ’ሎ። ማራዶና፡ ኣብ ሕዳር 2020 ብዘጋጠሞ ወቕዒ ልቢ ኣብ መበል 60 ዓመቱ ኣብ ርእሰከተማ ቦ ነስ ኣይረስ ከምዝዓረፈ ይዝከር። ሓደ ወርሒ ቅድሚ ሞቱ ኣብ ሓንጎሉ ዝነበረ ምርጋእ ደም ንምፍዋስ መጥባሕቲ ኣካይዱ ናብ ገዝኡ ድሕሪ ምምላሱ’ዩ ሞይቱ። ሒደት መዓልታት ድሕሪ ሞቱ ኸኣ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣርጀንቲና፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ዝኣልይዎ ዝነበሩ ሓካይምን ነርሳትን መርመራ ጀሚሮም። እቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነቲ ጉዳይ ንምጽራይ ዝተመዘዙ 20 ኪኢላታት ኣብ ዝሃብዎ መደምደምታ፡ እቶም ዝኣልይዎ ዝነበሩ ሰብሞያ ጥዕና፡ “ዘይግቡእ፡ ዘይብቑዕን ሓደገኛን” ኣተሓሕዛ ተኸቲሎም ክብል ወሲኑ’ሎ። ኣብ ዝሓሸ ሕክምናዊ ትካል ብቑዕ ክንክን ተገይሩሉ እንተዝነብር “ንክድሕን ዝለዓለ ዕድል ነይርዎ” ክብሉ’ውን እቶም ኪኢላታት ደምዲሞም። ካብቶም ዝተኸሱ ሰብሞያ፡ ውልቃዊ ሓኪሙ ዝኾነ ኪኢላ መጥባሕቲ ሓንጎል ዶ\/ር ሊዮፖልዶ ሉከ፡ ሓኪም ኣእምሮን ስነልቦናን፡ ክልተ ሓፈሻዊ ዶክተራት፡ ክልተ ነርሳትን ሓላፊኦምን ይርከብዎም። ሸሞንቲኦም፡ ብሸለልትነት ብዝስዕብ ሞት ተኸሲሶም’ዮም ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐርቡ ዘለዉ። ብመሰረት ገበናዊ ሕጊ ኣርጀንቲና፡ ከምዚ ዓይነት ገበን ክሳብ 25 ዓመት ማእሰርቲ ከስዕብ ዝኽእል’ዩ። ቤት ፍርዲ ዝጋባኣሉ ዕለት ዛጊት ኣይተፈልጠን ዘሎ። ጠበቓ ናይ ሓደ ካብ ዲቂ ማራዶና ዝኾነ ማርእዮ ባውድሪ ንሮይተርስ ከምዝገለጾ፡ እቲ ህቡብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ኣብ ዝሞተሉ እዋን “ርእሱ ክድግፈሉ ኣብ ዘይክእለሉ ኩነታት’ዩ ወዲቑ” ነይሩ። “ጠንቁ ምስ ኣስተውዓልኩሉ፡ ቅትለት ብሸለልትነት’ዩ ኢለ። ንነዊሕ እዋን ተቓሊሰ፡ እዚ መድረኽ’ዚ ተወዲኡ ሕጂ ኣብዚ በዚሕና ኣለና” ኢሉ። እቲ መርመራ፡ ድሕሪ ሞት ማራዶና ክልተ ደቁ ብዛዕባ ኣቦአን ዘካየዶ መጥባሕትን ኣተሓሕዛ ሓካይሙን ጥርዓን ድሕሪ ምቕራበን’ዩ ተጀሚሩ። ሓኪሙ፡ ዶ\/ር ሎከ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንሂወት መሓዝኡ ንምድሓን ዝክኣሎ ከምዝገበረ እናበኸየ ተዛሪቡ ነይሩ። ዲየጎ ማራዶና፡ ሓደ ካብቶም ኩዕእሶ እግሪ ዓለም ዘፍረዮም ብሉጻት ተጻወቲ ኮይኑ፡ ሃገሩ ኣርጀንቲና ዋንጫ ዓለም 1986 ክትዕወት እንከላ ካፕቴን ናይ ታሃገራዊት ጋንታ’ዩ ነይሩ። በታ ኣብቲ ውድድር ኣንጻር ዓዲ-እንግሊዝ ብኢዱ ዘእተዋ ”ኢድ ፈጣሪ” ተባሂላ እትፍለጥ ሸቶ’ውን ይዝከር’ዩ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ እዋን ጸወታኡን ድሕሪ ምስንባቱን ኣብ ዝነበራ ዓመታቱ፡ ብወልፊ ዕጸ-ፋርስ (ኮኬን) ይሽገር ብምንባሩ፡ ኣብ 1991 ን15 ኣዋርሕ ተኣጊዱ ነይሩ’ዩ። ኣብቲ ንፈለማ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ (ደቡብ ኣፍሪቃ) ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም 2010 ግን ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ኮይኑ ተሳቲፉ እዩ። ሞቱ ንስፖርት ዓለም፡ ብፍላይ ድማ ኲዕሶ እግሪ ዓለም፡ ብቐንዱ ድማ ሃገሩ ኣርጀንቲና ዘሕዘነ ዓቢ ፍጻመ’ዩ ነይሩ።","category":"ኣርጀንቲና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c9ex4g9mr87o"} {"headline":"ዋንጫ ዓለም 2022፡ ኣርጀንቲና ዶ ክርኤሽያ? ሜሲ ዶ ሞድሪች ሎሚ ይደምቁ?","content":"ክልትኦም ዕውታት ባሎንዲኦር’ዮም፡ ክልቲኦም ማልያ ቁጽሪ 10’ዮም ዝለብሱ፡ ክልቲኦም ናብ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም በጺሖም ተሳዒሮም’ዮም፡ ሕጂ ሓዲኦም ናብ ፍጻመ ክሓልፉ’ዩ፡ ኣርጀንቲና ዶ ክርኤሽያ? ሜሲ ዶ ሞድሪች ሎሚ ይደምቁ ሰዓት ዓሰርተ ምሸት ዝጅምር ጸወታ ክምልሶ’ዩ። ሜሲ ወዲ 35 ዓመት’ዩ ሊካ ሞድሪች ከኣ ወዲ 37 ዓመት፡ ንዕድሚኦም ኣብ ግምት ብምእታው እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዋንጫ ዓለም ናይ መወዳእትኦም ክኸውን ከምዝኽእል ናይ ብዙሓት ግምት’ዩ፡ እሞ ቅድሚ ጫምኦም ምስቓሎም ድኣ መን’ዩ ዛንትኡ ብቂሐ ጽልሚ ክዛዝሞ? ካብ ኣርጀንቲናን ካብ ክርኤሽያን ዝሰዓረት፡ ካብ ሞሮኮን ፈረንሳን ምስ ዝሰዓረት’ያ ሰንበት ጸወታ ፍጻመ ክተካይድ። ክልቲኦም ሃገራውያን ጋንታታቶም ነዚ በጺሐንኦ ዘለዋ ደረጃ ንኽበጽሓ ዕዙዝ ኣበርክቶ’ዮም ገይሮም፡ ሃገራቶም ናብ ፍርቂ ፍጻመ ንኽሓልፋ’ውን ክልቲኦም ፍጹም ቅላዕ ኣመዝጊቦም’ዮም። ሜሲ፡ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ሆላንድ ብፍጹም ቅላዕ ኣብ ዝሰዓረትሉ ነታ ቀዳመይቲ ፍጹም ቅላዕ ሃሪሙ ኣመዝጊብዎ: ሊካ ሞድሪች ብወገኑ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ብራዚል ዓወት ኣብ ዘመዝገበትሉ ነታ ሳልሰይቲ ፍጹም ቅላዕ ኣመዝጊብዋ። ሉካ ሞድሪች ብሓፈሻ  ንናይ 2018 ኣብ ልዕሊ ዴንማርክን ሩስያን ዘመዝገበን ፍጹም ቅላዕ ሓዊስካ እቲ እንኮ ኣብ ሰለስተ ጸወታታት ኣውዲቅካ ምሕላፍ ዋንጫ ዓለም ፍጹም ቅላዕ ዘመዝገበ ተጻዋታይ’ዩ። ብሓፈሻ ሜሲ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2022 ኣርባዕተ ሸቶታት ከመዝግብ እንከሎ ክልተ ንሸቶ ዝኾና ኮዓሳሱ ከሺኑ ኣቐቢሉ፡ ሉካ ሞድሪች ግን ክሳብ ሕጂ ሸቶ ኣይመዝበን ንሸቶ ትኸውን ኩዕሶ’ውን ኣየቐበለን፤ እንተኾነ ሜሲ ኣጥቃዓይ ሉካ ሞድሪች ከኣ ኣከፋፋሊ ስለዝኾነ ፍልልይ ክመጽእ ንቡር’ዩ። ልዮኔል ሜሲ ኣብ ልዕሊ ኣውስትራልያ ጽብቕቲ ሸቶ ምስ ኣመዝገብ፡ ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ኢንግሊዝን ማንቸስተር ዩናይትድን ነበር ርዮ ፈርዲናንድ “ኣብዚ ዋንጫ ዓለም ካብ ዝርኣኽዎ ውልቃዊ ብቕዓት ዝተፈለየን ዝበለጸን ኣብ ሜሲ ይርእዮ ኣለኹ፡ ከምዚ ዓይነት ብቕዓት ርእየ ኣይፈልጥን’የ” ብምባል ኣብ ልዕሊ ሜሲ ዘለዎ ኣድናቖት ገሊጹ። ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና መጻውትቲ ሜሲ ዝነበረ ፓብሎ ዛባሌታ ብወገኑ “ከምዝመስለኒ ሜሲ እዛ ዋንጫ ዓለም ናይ መወዳእትኡ ምዃና ዝተርድኣ ይመስል ርግእ ኢሉ ናይ ዘለዎ’ዩ ዝጻወት ዘሎ” ኢሉ። ሉካ ሞድሪች ኣብቲ ኣንጻር ብራዚል ዝነበሮም ጸወታ ርብዒ ፍጻመ ብዘርኣዮ ብቕዓት የዕንቲ ብዙሓት’ዩ ስሒቡ። ተጻዋታይ ቶተንሃም ዝነበረ ሚካህ ሪቻርድስ “ናብ ደቂ ጋንትኡ ወሰንቲ ኩዓሳሱ ብምቕባል፡ ንጸወታ ኣብ ምቁጻጽርን ብዘርአዮ ብቕዓት ንብራዚል ልቦም’ዩ ኣጥፊእሎም ከም ውጽኢቱ ከኣ ሞደሪችን ክርኤሽያን ተዓዊተን” ኢሉ። ሜሲ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም 25 ቅልዓት ናብ ልዳት ክሃርም እንከሎ እተን 12 ብልክዕ ናብ ልዳት ዝኸዳ’የን በዚ ከኣ ኣብዚ ዋንጫ ዓለም ዝበዝሐ ቅልዓት ብምህራም ኣብ ቅድሚት ይስራዕ። ሞድሪች ናብ ደቂ ጋንታኡ 201 ኩዓሳሱ ብምቕባል ኣብ ሳልሳይ ክስራዕ እንከሎ፡ ሜሲ ብ171 ኣብ ሻሙናይ ተሰሪዑ ኣሎ። ሜሲ ኣብ 2014 ሞድሪች ከኣ ኣብ 2018 ናብ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም በጺሖም ተሳዒሮም’ዮም። ኣርጀንቲና ኣብ 2014 ዋንጫ ዓለም ብጀርመን 1 ብ 0 ክትስዓር እንከላ ክርኤሽያ ብወገና ኣብ 2018 ብፈረንሳ 4 ን 2 ተሳዒራ። ሜሲ ኣብ 2014 ሉካ ሞድሪች ከኣ ኣብ 2018 ተዓወትቲ ባሎንዶኦር ክኾኑ ክኢሎም’ዮም። ሜሲ በዛ ሎሚ ዘካይዳ ጸወታ ተሓጊዙ ኣብ ዋንጫ ዓለም ኣብ 25 ጸወታታት ብምስላፍ ምስ ጀርመናዊ ሉተር ማትያስ ክመዓራረ’ዩ። ይስዓር ይሰዓር ብዘየገድስ ከኣ እንተስ ንዋንጫ እንተስ ንሳልሳይ ደረጃ ጸወታ ስለዝህልዎ ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝበዝሐ ጸወታታት ዝተሰለፈ ተጻዋታይ ተባሂሉ ክብረ ወሰን ክሰብር’ዩ። ሜሲ ኣብ ዋንጫ ዓለም ብሓፈሻ 10 ሸቶታት ኣመዝጊቡ’ሎ፡ ኣብ ዋንጫ ዓለም ክንዲ ናይ ሜሲ ሸቶታት ዘመዝገቡ ተጻወትቲ ሸውዓተ ጥራይ’ዮም፡ ጀርመናዊ ሚሮስላቭ ክሎስ ከኣ ብ16 ሸቶታት ኣብ ቅደሚት ኣሎ። ሜሲ ኣብ 170 ንሃገሩ ወኪሉ ዘካየዶ ጸወታታት 95 ሸቶታት ከምዝግብ እንከሎ ሞድሪች ብወገኑ ንሃገሩ 160 ግዜ ብምጽዋት 23 ሸቶታት ኣቁጺሩ ኣሎ። ሞድሪች፡ ኣብ ሓንቲ ዋንጫ ዓለም ሽዱሽተ ጸወታታት ዝተጻወተ ልዕሊ 37 ዓመት ዕድሚኡ ዝብል ክብሪ ክረክብ ክኢሉ ኣሎ። ሞድሪች፡ ንክርኤሽያ ወኪሉ ኣብ 17 ጸወታታት ዋንጫ ዓለም ብምጽዋት ናይ ሃገሩ ክብረ ወሰን ሒዙ ኣሎ። ሜሲ ኮፓ ኣሜሪካ ክዕወት እንከሎ ሞድሪች ግን ንሃገሩ ኣህጉራዊ ዋንጫ ኣየዕተራን ዘሎ። እቲ ዘገርም ሜሲ ንሃገሩ ወኪሉ ኣብ መጋቢት 2006  ኣንጻር ክርኤሽያ ኣብ ዝነበሮም ምሕዝነታዊ ጸወታ ተሰሊፉ ቀዳመይቲ ሸትኡ  ከመዝግብ እንከሎ ሞድሪች’ውን ብተመሳሳሊ ሽዓ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ ኣርጀንቲና ሸቶ ብምምዝጋብ ንሃገራዊት ጋንትኡ ፋልመይቲ ሸቶ ኣቑጺሩ። ሎሚ ኣብ ዝካየድ ጸወታ ንሜሲ መበል 1002 ዓለምለኻዊ ጸወትኡ ክኸውን እንከሎ ክሳብ ሕዚ 790 ሸቶታት ኣመዝጊቡ 339 ውዱኣት ኮዓሳሱ ከኣ ኣቐቢሉ። ሜሲ ሸውዓት ግዜ ዝበለጸ ተጻወታይ እዛ ዓለም ክብሃል እንከሎ ሞድሪች ኣብ 2018 ነዚ ሽልማት ክሽለም በቒዑ ነይሩ። ሞድሪች ሓሙሽተ ግዜ ቻምፕዮንስ ሊግ ክዕወት እንከሎ ሜሲ ኣርባዕተ ግዜ ተዓዊቱ። ሜሲን ሞድሪችን ሎሚ ዝህልዎም ጸወታ ሓዊስካ ንሓድሕዶም 27 ግዜ’ዮም ተራኺቦም: ካብዚ እቲ 22 ኣብ ኣብ ኤል ክላሲኮ ዝተራኸብሉ’ዩ [ሜሲ ምስ ባርሲሎና ሞድሪች ምስ ርያል ማድሪድ]።","category":"ኣርጀንቲና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1057z78vlo"} {"headline":"ፕረዚደንት ኣርጀንቲና ዝተሳፈረላ መኪና ካብ ተቓወምቲ መጥቃዕቲ በጺሕዋ","content":"ኣብ ግዝኣት ፓታጎኒያ፡ ብዙሓት ተቓወምቲ፡ ንፕረዚደንት ኣልቤርቶ ፌርናንዴዝ ዝሓዘት መኪና ከምዘጥቅዑ ተገሊፁ። ኣብ ደቡባዊ ኣርጀንቲና ግዝኣት ቹቡት ኣብ ዝርከብ ሓደ ማእኸል ማሕበረሰብ ዑደት የካይድ ዝነበረ እቲ ፕረዝደንት፡ ሃንደበት ብተቓወምቲ ተኸቢቡ። እቶም ዝተኣከቡ ተቓወምቲ ናብ መኪና እቲ ፕረዝደንት እምኒ ብምድርባይ፡ ንመኪና እታ ፕረዚደንት ካብቲ ማእኸል ክትወፅእ ዘገደዱ እንትኾኑ፡ እታ መኪና’ውን ጉድኣት በፂሕዋ። ፕረዝደንት ኣልቤርቶ ፌርናንዴዝ፡ ነቲ ህይወት ሓደ ሰብ ዝበልዐን፡ ብዙሓት ዝጎድአን ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ ባርዕ፡ ንምዕዛብ እዩ፡ ናብቲ ከባቢ ኣምሪሑ። እንተኾነ፡ ኣብ ግዝኣት ቹቡት ክካየድ እዩ ዝተብሃለ ዕደና መኣድን፡ ጠንቂ እዚ ተቓውሞ ከምዝኾነ እዩ ዝግለፅ። እቶም ተቓወምቲ፡ መንግስቲ፡ ንዓበይቲ ዓደንቲ መዓድን ፍቓድ ንምሃብ ረቂቕ ምውፅኡ ክቃወሙ ፀኒሖም እዮም። እቲ ከባቢ ብመዓድናት ወርቂ፣ ብርን ዩራንየምን ሃፍታም ከምዝኾነ ይግለፅ። ኣብቲ ዕግርግር ዝነበሮ ቦታ ዝተቐረፁ ተንቀሳቐስቲ ምስሊ፡ እቲ ፕረዚደንት ካብቲ ማእከል ማሕበረሰብ ወጺኡ፡ ናብ መኪንኡ ከምርሕን፡ እቶም ተቓወምቲ ድማ፡ በሪ እቲ ማእከል ከቢቦምን ይረኣዩ። እቶም ተቓወምቲ ነታ እቲ ፕረዚደንት ዝተሳፈረላ መኪና ክወቕዑን ከይንቀሳቐስ ክዓግቱን’ውን፡ ተራእዮም። ገለ ተቓወምቲ ከኣ ናብ መስትያት እታ መኪና እምኒ ክድርብዮ ተራእዮም። ዋላ’ኳ ነቲ ፕረዝደንት ኣሳፊራ ዝነበረት መኪና ነቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ተቓወምቲ ሰጊራ ምሕላፍ እንተኽኣለት፡ መሳኹቲ እታ መኪና ግና ተሰባቢሮም እዮም። ኣብ ኣርጀንቲና ግዝኣት ፓታጎኒያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ባርዕ፡ ብዙሓት ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ እንትኾኑ፡ ብውሑዱ 200 መንበሪ ኣባይቲ’ውን ዓንዮም እዮም። ኣብ ገለ ከተማታት ድማ፡ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክን ማይን ተቛሪፁ እዩ። ዋላ’ኳ ዛጊድ ጠንቂ እዚ ባርዕ እንተዘይተፈለጠ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኣርጀንቲና ግና፡ እዚ ባርዕ ኮነ ተባሂሉ ዝተፈፀመ ከምዝኾነ እዩ ዝኣምን።","category":"ኣርጀንቲና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56391507"} {"headline":"ምንጻል ጥንሲ ዘፍቅድ ረቂቕ ሕጊ ኣርጀንቲና ዝለዓለ ድጋፍ ረኺቡ","content":"ፖለቲከኛታት ኣርጀንቲና ኣብታ ብዓብላሊ ቁጽሪ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ዘለውዋ ሃገር፡ ምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ ዝገብር ረቂቕ ሕጊ ንኽጸድቕ ዝድግፍ ድምጺ ሂቦም። እዚ ድማ ነቲ ብተጣበቕቲ መሰላት ደቂኣንስትዮ ዝካየድ ዝነበረ ጎስጓስ መልሲ ከምዝሃበ ይግለጽ ኣሎ። ኣባላት ታሕተዋይ ባይቶ ኣርጀንቲና ኣብቲ ረቂቕ 131 ብ 117 ዝኾነ ድምጺ ሂቦም። እቲ ዝለዓለ ድምጺ ድማ ንሕጋውነት ምንጻል ጥንሲ ዝድግፍ ኮይኑ። እንተኾነ እቲ ረቂቕ ሕጊ፤ ስሩዕ ሕጊ ኮይኑ ንኽወጽእ ናይ ግድን ብላዕለዋይ ሰኔት እታ ሃገር ክሓለፍ ኣለዎ። እቲ መስርሕ ምሃብ ድማጺ’ውን ክሳብ መዛዘሚ 2020 ክካየድ ትጽቢት ይግበር። ኣብ ኣርጀንቲና ጥንሲ ዘውረዳ (ዝነጸላ) ደቂኣንስትዮ ክስታት’ዩ ዝጽበየን። ብፕረዚደንት ኣልቤርቶ ፈርናንደዝ ዝቐረበ ሓድሽ ረቒቕ፡ ክሳብ 14 ሰሙን ኣብ ዘቑጸረ ጥንሲ ጥራይ ምንጻል ከምዘፍቅድ ተፈሊጡ’ሎ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብታ ሃገር ብጾታዊ ዓመጽ ጥንሲ ንዘጋጠመን ደቂኣንስትዮ ኣብ ዝህልዋን እቲ ጥንሲ ኣብ ጥዕና እታ ኣደ ሓደጋ ዘኽትል ምዃኑ እንተተረጋጊጹን’ዩ ምንጻል ዝፍቀድ። ታሕተዋይ ባይቶ ኣርጀንቲና ካብ ሓሙስ ክሳብ ወጋሕታ ዓርቢ ን20 ሰዓታት ዝጸንሐ ክትዕ ብድሕሪ ምክያድ ነቲ ረቂቕ ከምዘጽደቐ ይግለጽ። እቲ ኣብ ላዕለዋይ ሰኔት ዝካየድ ክትዕ ከኣ ካብዚ ዝበለጸ ከምዝኸውን ትጽቢት ይግበር። ኣብ 2018 እቲ ታሕተዋይ ባይቶ ንምንጻል ጥንሲ ዝምልከት ተመሳሳሊ ውሳነ ኣሕሊፉ እንተነበረ’ኳ፡ ላዕለዋይ ሰኔት እታ ሃገር ግን ውድቂ ገይርዎ ነይሩ። “ኣነ ካቶሊክ እየ ግን ከኣ ንኹሉ ዝገዝእ ሕጊ ክሕግግ ኣለኒ” ዝበለ ፕረዚደንት ፈርናንደዝ “እዚ ኣዝዩ ዘገድስ ጉዳይ ጥዕና ሕብረተሰብ እዩ” ክብል ኣረዲኡ። ቤተክርስትያን ሮማን ካቶሊክ ግን ንውሳነ ፖለቲከኛታት ኣርጀንቲና ዘለዋ ተቓውሞ ኣስሚዓ’ላ። ሚንስተር ደቂኣንስትዮ፣ ስርዓተ ጾታን ብዙሕነትን እታ ሃገር ኤሊዛቤት ጎሜዝ ግን፤ “ኣብ ታሪኽና ሓድሽ ምዕራፍ ጽሒፍና” ክትብል ነቲ ውሳነ ዘለዋ ደገፍ ብትዊተር ሓቢራ። ነቲ ረቂቕ ሕጊ ዝደገፉን ዝተቓወሙን ጉጅለታት ድማ ኣብ ኣፍደገ ህንጻ እቲ ኮንግረስ ተኣኻኺቦም ኣለዉ። መንግስቲ ኣርጀንቲና ከምዝሕብሮ፡ ብሰንኪ ውሑስ ዘይኮነን ሕቡእን ፈተነ ምንጻል ጥንሲ፡ ዓመታዊ ኣስታት 38 ሽሕ ደቂኣንስትዮ ንሕክምና ናብ ሆስፒታላት ክኣትዋ ይግደዳ።","category":"ኣርጀንቲና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55292933"} {"headline":"ኣርጀንቲና፡ ኣብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ብዝተላዕለ ዕግርግር ኣሰልጠኒ ብጥይት ተሃሪሙ","content":"ኣብ ኣርጀንቲና ብሰንበት ኣብ ሞንጎ ክልተ ናይ ሳልሳይ ዲቪዥን ጋንታታት ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ኣብ ሞንጎ ደገፍቲ ብዝተላዕለ ዕግርግር ሓደ ኣሰልጣኒ ኣብ ሞንኩቡ ብጥይት ተሃሪሙ። ጋንታ ሁራካን ላስ ሀራስ ጋንትኦም ምስ ፌሮ ዲ ጀነራል ፒኮ ኣብ ትገጥመሉ ዝነበረት ኣብ ደገፍቲ ብዝተለዓለ ዕግርግር ተጻወትቲ ካብ ሜዳ ሃዲሞም ክወጽኡ ተገዲዶም። እቲ ኣብ ዞባ ማንዶዛ ዝካየድ ዝነበረ ግጥም፡ እቶም ደገፍቲ ጋንታ ሁራካን ላስ ሀራስ ንሓድሕዶም ብጥይት እናተተኳኾሱ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሑ ይርከብ። ኣሰልጣኒ ጋንታ ፌሮ ዲ ጀነራል ፒኮ ማውሪስዮ ሮመሮ ብዝተተኾሰ ጥይት ኣብ መንኩቡ ምስ ተሃረመ ኣብ ውሽጢ እቲ ስታድዮም ሕክምናዊ ረድኤት ተገይርሉ ብቐጥታ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ። ምምሕዳር ጋንታ ፌሮ ዲ ጀነራል ፒኮ ማውሪስዮ ሮመሮ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት እዩ ዘሎ። ናብ ከቢድ ሓደጋ ዘቓልዖ መውጋእቲ ኣየጋጠሞን\" ኢሉ። ግጥም ጋንታታት ሁራካን ላስ ሀራስን ጋንታ ፌሮ ዲ ጀነራል ፒኮን ኣብ ካልኣይ እብረ ጋንታ ሁረካን ላስ ሀራስ 3 ብ 1 እናመረሐ እንከላ እዩ እቲ ክስተት ኣጋጢሙ። እቲ ጸወታ'ውን ንዘይተፈለጠ ግዜ ተናዊሑ ኣሎ። ሁረካን ላስ ሀራስ ነቶም ኣብ ባእሲ ዝተጸመዱ ደገፍቲ ኮኒና ኣላ። እታ ጋንታ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጻ ኣብ ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ \"ንዓመታት እቶም ሓቀኛታት ደገፍትና ብሰንኪ ተደጋጋሚ ባእሲ ካብ ሜዳ ክርሕቁ ጸኒሖም'ዮም። እቶም ንጋንታና ዝሃስዩ ኣርሒቑ ነቶም ቀንዲ ደገፍትና ናብ ሜዳና ዝምለስሉ እዋን የምጽኣልና\" ኢላ።","category":"ኣርጀንቲና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59130267"} {"headline":"ዋንጫ ዓለም 2022፡ ግምት ክሪስ ስቶን ንጸወታታት ፍርቂ ፍጻመ","content":"እዚ ክዛዘም መዓልታት ተሪፍዎ ዘሎ ዋንጫ ዓለም፡ ካብተን 32 ሃገራት ነተን 28 ሃገራት ነናብ ሃገረን ኣፍንዩ ኣርባዕተ ሃገራት ሒዙ ተሪፉ’ሎ፡ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተኻየደ ጸወታታት ከኣ ከም ደገፍቲ ሃገራውያን ጋንታታት ሞሮኮን ኣርጀንቲናን ገይሩ ዝጨደረ የለን፡ እንተኾነ እዘን ሃገራት ንክርኤሽያን ፈረንሳን ስዒረን ናብ ፍጻመ ይሰግራዶ ይኾና ዝብል ሕቶ ኣብ ፊትና ደው ኢሉ’ሎ። ተንታኒ ስፖርት ቢቢሲ ክሪስ ስቶን፡ “ኣነ ኣርጀንቲናን ሞሮኮን ኣብ ፍጻመ ክራኸባ ደስ ምበለኒ ምኽንያቱ ክልቲአን ኣዝዮም ዘገርሙ ደገፍቲ’ዮም ዘለውወን” ይብል። ብምስዓብ “ኣርጀንቲና ምስ  ሆላንድ ኣብ ዝነበረ ጸወታ፡ ንኣርጀንቲና እቶም ኣብ ስታድዮም ዝነበሩ ደገፍታ’ዮም ድርዒ ኮይኖማ፡ እቲ ጸወታ ከኣ ልክዕ ኣብ ኣርጀንቲና ዝካየድ ዘሎ እዮም ኣምሲሎሞ” “ናብ ሞሮኮ እንተመጸእና’ውን ነቲ ካብ ኣውሮጳን ካብ ደቡብ ኣሜሪካን ወጻኢ ዘለዋ ጋንታታት ክንህቦ ዝጸናሕና ግምት ብምስባር ሞሮኮ ንብዙሓት መልሓስና ኣሐይኻትና’ያ፡ ንኣፍሪቃውያን ከኣ በጺሐሞ ኣብ ዘይፈልጡ ደረጃ ኣብጺሓቶም፡ ንፈረንሳ ሓሊፎም ናብ ፍጻመ ክበጽሑ ዘሎ ዕድል ጸቢብ’ኳ እንተኾነ ኣነ እሶም’ዮም ምርጫይ” ይብል ክሪስ ስቶን። ክሪስ ስቶም ንዋንጫ ዓለም ኣመልኪቱ ኣቐዲሙ ካብ ዝሃቦ ግምታት ሞሮኮን ፍረንሳን ንመጋጥምት ስዒረን ናብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ከምዝሓልፋ ገሊጹ ነይሩ። ዋንጫ ዓለም ቅድሚ ምጅማሩ ናብ ግጥም ኣውዲቕካ ምሕላፍ ክሓልፋ’የን ካብ ዝበለን 16 ጋንታታት ነተን 12 ጋንታታት ክፈልጠን ክኢሉ’ዩ። ሓደ ነገር ከይተሰክፍኩ ዝብሎ ነገር እንተሃልዩ ኣብ ዝሓለፈ ጸወታታት ብዛዕባ ክርኤሽያ ብዙሕ ግዜ ጽሒፈ’የ ግምታተይ ከኣ ጌጋ’ዩ ነይሩ። እዛ ሃገራዊት ጋንታ ኣዝያ ውህድቲ ኮይና ወዲ 37 ዓመት ሉካ ሞድሪች ከኣ ጽቡቕ ገይሩ’ዩ ዝቕለሳ ዘሎ። ዋላ’ኳ ፈንጢስካ ኣቲኻ ሸቶ ናይ ምምዝጋብ ዓቕሚ እንተዘይብሎም ዕድል ኣብ ዝረኸብሉ ግን ዝምሕሩ ከምዘይኮኑ ኣብ ብራዚል ዘርኣይዎ ብቕዓትን ዘመዝገብዎ ሸቶታትን ምስክር’የ። ናብ ፍጹም ቅላዕ እንተበጺሖም ከአ እቲ ከም ሽላ ዝውርወር ሓላው ልዳት ዶሚኒክ ሊቫኮቪክ ዘሰክፎም ኣይኮነን። እዚ ስለዝኾነ ጽባሕ ሰሉስ ንኣርጀንቲና ቀሊል ጸወታ ኣይክኸውንን’ዩ፡ እቲ ጽቡቕ ነገር ግን ኣርጀንቲና ንክርኤሽያ ትሑት ግምት ሂቦማ ከምዘይኣትዉ ባዕላ ኣርእያቶም’ያ። ኣርጀንቲና ብዘይ ተኸላኸልታ ጎንዛሎ ሞንቴልን ማርኮስ ኣኩናን እያ ምስ ክርኤሽያ ክትጻወት፡ ክልቲኦም ከክልተ ብጫ ካርድ ስለዝወሰዱ’ዮም ካብዚ ጸወታ ክቦኽሩ። ኣርጀንቲና ምስ ሆላንድ ኣብ ዝነበሮም ጸወታ ብክልተ ጎል ክመርሑ ምስ ጀመሩ፡ ምሕላፎም ዘረጋገጹ’ዩ መሲልዎም ነይሩ፡ እንተኾነ ሆላንድ ካብ ድሕሪት ተበጊሶም ነቲ ጸወታ ማዕረ ስለዝገበርዎ ኣርጀንቲና ብፍጹም ቅላዕ’ዮም ሓሊፎም፡ ኣርጀንቲና ነቲ ኣብ ሆላንድ ዝፈጸምዎ ጌጋ ኣብ ክርኤሽያ ዝደግምዎ ኣይመስለንን። ስለዚ ልበይ ሜሲ ንሃገሩ ሒዙ ናብ ፍጻመ ክሓልፍ’ዩ ይብለኒ ኣሎ ይብል ክሪስ ስቶን። ከምቲ ማራዶና ኣብ 1986 ንኣርጀንቲና ዋንጫ ዓለም ኣግዚሙ ስሙ ዘወረቐ ሜሲ’ውን ነዚኣ ክብጽሓ ክልተ ጸወታታት’የን ተሪፈንኦ ዘለዋ። ግምት ስቶን፡ ኣርጀንቲና 1 ክርኤሽያ 0 ሞሮኮ ዝኾነት ኣፍሪቃዊት ሃገር በጺሓቶ ዘይትፈልጥ ፍርቂ ፍጻመ ብምብጻሕ ታሪኽ ክትሰርሕ ክኢላ’ያ፡ ነዚ ብቀሊል ኣይበጽሓቶን ንፖርቱጋል፡ ስጳኛ፡ ቤልጂምን ካናዳን ብምስዓርን ምስ ክርኤሽያ ማዕረ ብምውጻእን’ያ በጺሓቶ: ክሳብ ሕጂ ካብ ዘካየደቶ ሓሙሽተ ጸወታታት ከኣ ሓንቲ ሸቶ ጥራይ’ዩ ተመዝጊብዋ ዘሎ። ንሳ’ውን ምስ ካናዳ እናተጻወቱ እንከለዉ ባዕሎም ናብ ገዛእ ልዳቶም ዘመዝገብዋ’ያ። እንተኾነ ሕጂ እታ ጋንታ ተጻወትታ ብማህረምትን ብድኻምን ረሸሽ ዝበሉ ይመስሉ ኣለዉ። ሞሮኮ፡ ኣብ ሞንጎኦም ዘሎ ውህደትን ኣብ መልሰ መጥቃዕትን ዘለዎም ብቕዓት’ዩ ክሳብ ሕጂ ብዓወት ንኽወጽኡ ኣኽኢልዎም። ሕጂ እቲ ሕቶ፡ ነቲ ዘይምሕር ኣመዝቢ ሸቶ ፈረንሳ ኦሊቨር ጅሩድ ይጸርዎ ድዮም ዝብል’ዩ። ፈረንሳ፡ ክሳብ ሕጂ ኣፍዝዝ ዘብል ናይ ጋንታ ጸወታ ኣየርኣዩን፡ እንተኾነ እታ ሃገራዊት ጋንታ ዓይንኻ ብዝመልኡ ተጻወትቲ ተተኽቲኻ’ያ ዘላ። ፈረንሳ ብውህደት ናይ ምልእቲ ጋንታ ዘይኮነ ብውልቃዊ ብቕዓት ናይ ውልቀ ተጻወትቲ ተሓጊዛ’ያ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ክትበጽሕ ክኢላ፡ ከም ብዓል ጅሩድ ዝኣመሰሉ ተጻወትቲ ከኣ ዕድል ኣብ ዝረኸብሉ ዝምሕሩ ኣይኮኑን፡ እዚ ከኣ ኣብ ልዕሊ እንግሊዝ ዘመዝገብዎ ብቕዓት ምስክር’ዩ። ሞሮኮ ኣብ ልዕሊ ፈረንሳ ሸቶ ከመዝግቡ’ዮም እንተኾነ ንፈረንሳ ክስዕርዋ ክኸብዶም’ዩ። ግምተይ ጌጋ ክኸውን ክንደይ ባህ ምበለኒ ምኽንያቱ ሞሮኮ ካብዚ ንላዕሊ ክኸዱ’የ ዝደልዮም እንተኾነ ኣይመስለንን። ግምት ክሪስ ስቶን፡ ፈረንሳ 2 ሞሮኮ 1","category":"ኣርጀንቲና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c720kg7dxd0o"} {"headline":"ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ነበር ኣብ ፓሪስ ተቐቲሉ","content":"ተጻዋታይ ራግቢ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ነበር ፈዴሬኮ ማርቲን ኣራምቡራ ኣብ ፖሪስ ብቀዳም ብዝተተኮሶ ጥይት ተሃሪሙ ከም ዝሞተ ተገሊጹ። ንሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና 22 ግዜ ዝተጻወተ ፈዴሬኮ ማርቲን ኣራምቡራ፡ ኣብ 2007 ፈረንሳ ኣብ ዘአንገደቶ ናይ ራግቢ ዋንጫ ዓለም፡ ኣርጀንቲና ሳልሰይቲ ኮይና ውድድራ ንኽትዛዝም ዓቢ ግደ ከም ዝነበሮ ብዙሓት ይዛረብሉ። ወዲ 42 ዓመት ፈዴሬኮ ማርቲን ኣራምቡራ፡ ብቀዳም ኣብ ዘምሰየሉ ለይታዊ ትልሂት ምስ ገለ ሰባት ይቋየቕ ከም ዝነበረን፡ እቶም ምስኡ ዝካትዑ ዝነበሩ ሰባት ድሕሪ ደቓይቕ ካብቲ ለይታዊ ትልሂት ብምውጻእ ዳግማይ ብመኪና መጺኢም ቶኲሶም ከም ዝቐተልዎ ጋዜጣታት ፈረንሳ ገሊጸን። ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ፓሪስ መዝገብ መርመራ ከም ዝኸፈት ክገልጽ እንከሎ፡ ፖሊስ ፓሪስ ነቶም ጥርጡራት ይደልዮም ከም ዘሎ ሓቢሩ። ኣብቲ 'ስታድ ዴ ፍራንስ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስታድዮም ራግቢ ትማሊ ሃገራውያን ጋንታታት እንግሊዝን ፈረንሳን ኣብ ዘካየደኦ ጸወታ ራግቢ፡ ጸወታ ቅድሚ ምጅማሩ ዝኽረ ፈዴሬኮ ማርቲን ኣራምቡራ ከም ዝተኻየደን ምስሊ እቲ ተጻዋታይ ኣብ ዓበይቲ ስክሪናት ናይቲ ስታድዮም ከም ዝተራኣየን'ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ። ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ምስ ማርቲን ኣራምቡራ ዝተጻወተ ዲሚትሪ ያችቪሉ \"ኣብ ጸወታ ራግቢ ዓቢ ፍቕሪ ዝነበሮ ሰብ ከሲርና' ኢሉ። ዲሚትሪ ያችቪሉ \"ማርቲን ኣራምቡራ፡ ኩሉ ግዜ ቅኑዕ፡ ንቁሑን ዓቢ ክእለት ዝነበሮን እዩ ነይሩ\" ብምባል ይገልጾ። ኣራምቡራ ኣብ 2010 ናብ ክለብ ግላስኮው ዋሪሰን ቅድሚ ምጽንባሩ፡ ምስ ፈረንሳውያን ክለባት ፐርፒግናን፡ ቢያርትዝን ዳክስን ይጻወት ነይሩ'ዩ።","category":"ኣርጀንቲና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60818181"} {"headline":"ዋንጫ ዓለም 2022፡ ክሮሽያ ኣንጻር ብራዚል፡ ሆላንድ ኣንጻር ኣርጀንቲና ድሙቕ ዝኾነ ዓርቢ’ዩ","content":"ሎሚ ዓርቢ፡ ክሮሽያ ኣንጻር ብራዚል [ሰዓት ሽዱሽተ ድሕሪ ቀትሪ]: ሆላንድ ኣንጻር ኣርጀንቲና [ሰዓት ዓሰርተ ምሸት] ፡ ጸወታ ርብዒ ፍጻመ ብምክያድ ክልተ ክሰራሰራ’የን ክልተ ከኣ ርእሰን ከድንና'የን። ብራዚል፡ እታ 5 ግዜ ንዋንጫ ዓለም ብምዕዋት ክብረ ወሰን ሒዛ ዘላ ሃገር እያ። እዛ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝልዓሉ ደገፍቲ ኣለዉዋ፡ ኣብ ቐጠር’ውን ብተመሳሳሊ ካብ ብራዚልን ካብ ካልእ ሃገራትን ነዛ ሃገራዊት ጋንታ ንምድጋፍ ዝመጽኡ ብዙሓት’ዮም። ብራዚል ኣብ ግጥም ኣውዲቕካ ምሕላፍ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ኮርያ ዘርኣየቶ ዓብላልነት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ናብ ግጥም ፍጻመ ሓሊፋ 18 ታሕሳስ ነታ ዋንጫ ክትወስዳ’ያ ኢሎም ግምት ዝሃብዋ ማእለያ የብሎምን። ንደቡብ ኮርያ ሸቶ መምስ ኣመዝገቡላ ኣብ ወሰን ሜዳ ኮይኖም ብሓጎስ ኣብ ዝስዕስዕሉ ዝነበሩ ኣሰልጣኒኦም ከይተረፈ ኣብቲ ናይቶም መንእሰያት ሳዕስዒት ብምጽንባር ክልሀ ተራእዩ’ዩ። ነዚ ሳዕስዒት እዚ ሎሚ ክደግምዎ እንተኾይኖም ንክሮሽያ ረሸሽ ከብልዋ ኣለዎም። ኣሰልጣኒ ክሮሽያ ዝላቶክ ዳሊክ “ክሳብ ሕጂ ብራዚል ዘርኣይዎ ብቅዓት ዘርዕድ’ዩ፡ እቶም ተጻወትቲ ዘለዎም ብቕዓትን ውህደንት ዘፍርሕ’ዩ” ብምባል: ዘለዎ ኣድናቖት ገሊጹ። ብምስዓብ  “ናብዚ ጸወታ ብምሉእ ርእሰ ተኣማንነት ኢና ክንኣቱ፡ ንኹሉ ዕድላት ከኣ ክንጥቀመሉ ክንፍትን ኢና፡ ምስ ብራዚል ዝህልወና ጸወታ ብሓጎስ ኢና ንጽበዮ ዘለና፡ በቃ እሱ’ዩ” ኢሉ። ክሮሽያ፡ ኣብ 2018 ናብ ፍጻመ በጺሓ ብፈረንሳ ዝተሰዓረት ጋንታ’ያ፡ ነታ ሓሙሽተ ግዜ ዋንጫ ዓለም ዝዓተረት ብራዚል ነቲ ትኸዶ ዘላ ናህሪ ደው ከተብሎ ከምትኽእል ከኣ ብዙሓት ይገልጽዋ ኣለዉ። ሞተር እታ ሃገራዊት ጋንታ ወዲ 37 ዓመት መሃንድስ ማእከል ሜዳ ርያል ማድሪድን ሃገራዊት ጋንትኡን ሉኳ ሞድሪች’ዩ። ሞድሪች ዋንጫ ዓለም ንምጽዋት ናብ ቐጠር ኣብ ዘምርሓሉ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ዋንጫ ዓለም ጸወታ ናይ መወዳእትኡ ክከውን ከምዝኽል ኣአንፊቱ ነይሩ’ዩ። ተኸላኻላይ ሃገራዊት ጋንታ ክሮሽያ ጆሲፕ ጁርኖቪክ “ከም ብዓል ሞድሪች ዝኣመሰሉ ኣብ ሜዳ ክጎዩን ክማወቱን ክንርኢ እንከለና ነዞም ንኣሽቱ ተጻዋትቲ ሓይሊ’ዩ ዝህበና” ኢሉ። ኣብ ዋንጫ ዓለም፡ ብልዊስ ቫንጋል ትስልጥን ዘላ ሆላንድ፡ ኣንጻር ኣርጀንቲና ቅድሚ ሕጂ ሽዱሽተ ግዜ ተራኺባ ኣላ። እዛ ናይ ሕጂ ልክዕ ከምቲ ኣብ 1978 ዝተራኸባሉ ጸወታ ናብ ፍርቂ ፍጻመ መን ሓለፈ ኰይኑ፡ ኣርጀንቲና ንሆላንድ ብምግላፍ ኣብ መወዳእታ ነታ ዋንጫ ክትወስዳ ክኢላ’ያ። ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ኣብ ብራዚል ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ’ውን፡ ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ተራኺበን ኣርጀንቲና ብፍጹም ቅላዕ ክትዕወት ምኽኣላ ዝዝከር’ዩ። ግጥም እዘን ክልተ ሃገራት ግን ዝያዳ በታ ኣብ 1998 ደኒስ ቤርካምፕ ብጽቡቕ ጥበብ ኣብ መወዳእታ ደቂቕ ዘመዝገባ ሸቶ’ዩ ዝዝከር። እታ ሸቶ ንሆላንድ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዘሕለፈት ሸቶ’ያ ነይራ። እዚ ናይ ሎሚ ጸወታ ግን ፍልይ ዝበለ’ዩ ክኸውን፡ መን ይፈልጥ እዛ ጸወታ እዚኣ ንሜሲ ኣብ ዋንጫ ዓለም ንመወዳእታ ግዜ ንርእየሉ ጸወታ ክትኸውን ትኽእል’ያ ወይ’ውን ንኣሰልጣኒ ሆላንድ ልዎስ ቫንጋል’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ውድድር ድሕሪ ሕጂ ኣይክንርእዮን ንኸውን። ወዲ 35 ዓመት ሜሲ ብጀካ እዛ ዋንጫ ዓለም ዳርጋ ንኹሉ ዓይነት ሽልማታት ንገዛእ ርእሱን ንሃገሩን ኣግዚሙ’ዩ። ካብ ሕማም መንሽሮ ዝሓወየ ወዲ 71 ዓመት ቫንጋል’ውን ድሕሪ ዋንጫ ዓለም ካብ ስራሕ ኣሰልጣንነት ጥሮታ ክወጽእ ምዃኑ ተዛሪቡ’ዩ፡ ቅድሚ ካብ ስራሕ ምስንባቱ ግን ነታ ሰለስተ ግዜ ኣብ ግጥም ፍጻመ ዝበጽሐት ክሮሽያ፡ ነታ ሰለስተ ግዜ ርእያ ዝሰኣነታ ዋንጫ ኣብ ከብሓ ከቐምጠላ’ዩ ሕልሙ።","category":"ኣርጀንቲና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cz9y8zrr3gqo"} {"headline":"ሊዮነል መሲ ኣብ ሃገሩ ፍሉይ ኣቀባብላ ተገይርሉ","content":"ቐጠር ኣብ ዘአንገደቶ ውድድር ዋንጫ ዓለም 2022፡ ዝተኦኣወተት ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ትማሊ ሰሉስ ኣብ ርእሰ ከተማ ቦነስ ኣይረስ ምስኣተወት ድሙቕ ኣቀባብላ ጸኒሕዋ።","category":"ኣርጀንቲና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cllrly6vq0yo"} {"headline":"ዋንጫ ዓለም፡ ኣርጀንቲና ብስዑዲ ዓረብ ተሳዒራ","content":"ሓንቲ ካብተን ዓቢ ትጽቢት ዝግበረለን ሓያላት ሃገራውያን ጋንታታት ዝኾነት ኣርጀንቲና በታ ድኽምቲ እትብሃል ስዑዲ ዓረብ 2 ብ 1 ተሳዒራ። ኣብቲ ሎሚ ዝተኻየደ ግጥም ስዑዲ ዓረብ ነቲ ዓወት ምጉንጻፋ ኣብ ታሪኽ ውድድር ዋንጫ ዓለም ሓደ ካብ ኣገረምቲ ፍጻሜታት ኮይኑ ተመዝጊቡ'ሎ። እታ ብዓለም ደረጃ ኣብ መበል 51 እትስራዕ ስዑዲ ዓረብ፡ ቅድሚ ዕረፍቲ ብሓንቲ ሸቶ ተመሪሓ ድሕሪ ምጽናሕ'ያ፡ ድሕሪ ዕረፍቲ ብሳልሕ ኣል-ሸሕሪን ብሳልም ኣል ዳውሳሪን ኣቢላ ብዘመዝገበተን ክልተ ሸቶታት ነቲ ታሪኽ ሰሪሓ ዘላ። እታ ኮኾብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ሊዮነል መሲ ዝርከቦም ብሉጻት ተጻወቲ ዘሰለፈትን፡ ኣብ ታሪኻ ክልተ ግዜ ዋንጫ ዓለም ዝዓተረትን ኣርጀንቲና፡ ኣብ ቅድሚ'ቶም \"ቀጠልያ ሽላታት' (ግሪን ፋልኮንስ) ተባሂሎም ዝጽውዑ ስዑዳውያን ምሩኽማሻ ንተንተንቲ ኩዕሶ እግሪ ኣደንጽዩ'ሎ። ብሊዮነል ስካሎኒ እትምራሕን ከም መሲ፡ ዲ-ማሪያ፡ ማርቲነዝን ጎመዝን ዝበሉ ሓያላት ኣጥቃዕቲ ዘለዉዋ ኣርጀንቲና፡ ነታ ዋንጫ ክወስዳ ይኽእላ'የን ተባሂለን ካብ ዝግለጻ ጋንታታት ኮይና፡ ኣብ ዝሓለፉ 36 ግጥማት ከይተሳዕረት ዝጸንሐትን፡ ኣብ 2021 ዋንጫ 'ኮፓ ኣመሪካ\" ዝዓተረንትን እያ። መሲ፡ ቅድሚ ዕረፍቲ ብፍጹም ቅላዕ ሓንቲ ሸቶ ድሕሪ ምምዝጋቡ፡ ጋንትኡ ዘመዝገበተን ሰለሰተ ሸቶታት ኦፍሳይድ ተባሂለን ብዳያኑ ተሰሪዘን። ዝቕጽል ጸወታ ኣርጀንቲና ምስ ሜክሲኮ ክኸውን እንከሎ፡ ስዑዲ ዓረብ ድማ ምስ ፖላንድ ክትገጥም ክትዳሎ'ያ። ንካልይ ግዜ ኣብ 1986 ዋንጫ ዓለም ዝዓተረት ኣርጀንቲና፡ ነቲ ኣብ ፕሮፈሽናል ተመክሮኡ ዓቢ ናይ ዋንጫ ዓለም ሃጓፍ ዘለዎ መሲ ናይ መወዳእታ ዕድል ክትጉንዖ እንተኾይና፡ ድሕሪ ናይ ሎሚ ስዕረት ዓቢ ብድሆ ክጽበያ'ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዋንጫ ዓለም 2018፡ ዘልሓጥሓጥ ኢላ ምንባራ'ኳ ዝፍለጥ እንተኾነ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ዝቐጸለ 4 ዓመታት ብዘርኣየቶ ብቕዓት ግን ዓቢ ግምት ተዋሂቡዋ'ዩ ጸኒሑ። ብኣንጻሩ እታ ካልኣይቲ ዝደኸመት ጋንታ ናይዚ ውድድር ምዃና እትግለጽ ስዑዲ፡ ኣብ ፈላሚ ግጥም ዋንጫ ዓለም 2018 ብኣአንጋዲት ሩስያ 5 ብ 0 ተሳዒራ፡ ሕቖኣ ምስተሰብረት ኣየምለሰትን ቀልጢፋ ካብቲ ውድድር ተገሊፋ። ጋና ጥራይ'ያ ኣብዚ ናይ ቐጠር ውድድር ብብቕዓት ትሕቲ ስዑዲ ተሰሪዓ ዘላ። እንተኾነ ግን ኣብቲ ናይ ሎሚ ግጥም፡ ተጻወቲ ስዑዲ ንዘየቋርጽ መጥቃዕትታት ኣርጀንቲና ንምክልኻል ዘርኣይዎ ኒሕን ሓቦን ብተዓዘብትን ደገፍቶምን ኣድናቖት ረኺቦም ኣለዉ። ናይ መወዳእታ ፊስካ ድሕሪ ምንፍሓ ዘርኣይዎ መግለጺ ሓጎሶም'ውን፡ ትርጉም ናይቲ ዝዓተርዎ ዓወት ንዖኦምን ሃገሮምን እንታይ ምዃኑ ዘነጽር'ዩ ነይሩ።","category":"ኣርጀንቲና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cnegy2ppdlko"} {"headline":"ዋንጫ ዓለም 2022፡ 'መሲ እንተሎ ተስፋ ኣሎ' - ኣርጀንቲና ናብ ዓወት ተመሊሳ","content":"ኣብቲ ትማሊ ምሸት ኣብ መንጐ እተን ታሪኻውያን መተሃላልኽቲ ሃገራውያን ጋንታታት ኣርጀንቲናን ሜክሲኮን ዝተኻየደ፡ ሊዮነል መሲ ድንቂ ልሙድ ብቕዓቱ ዘንጸባረቐሉን ሸቶ ዘቝጸረሉ ጸወታ፡ ኣርጀንቲና ተዓዊታ። ኣርጀንቲና ኣብ ቀዳማይ ጸወታኣ ብስዑድዓረብ ድሕሪ ዝወረዳ ዘሕፍር ስሕረት እቲ ናይ ትማሊ ምሸት ጸወታ ልዑል ጸቕጢ ዝነበሮ እዩ ነይሩ። እታ ሃገራዊት ጋንታ ብኮኾብ ተጻዋታያ መሲ ተሓጊዛ ግን ናብ ዓወት ድሕሪ ምምላሳ፡ ናብ ዝቕጽል ዙር ኣውዲቕካ ምሕላፍ ናይ ምስጋር ዕድላ ኣስፊሓ’ላ። እቲ ብስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ኣርጀንቲና ዝወረደ ስዕረት ትጽንቢት ዘይነተብሮ ፍጻመ ኰይኑ፡ ነታ ጋንታ ዘሰንበደን፡ ናብ ዝቕጽል ዙር ግጥማት ዋንጫ ዓለም ናይ ምሕላፍ ዕድላ ዝደወነ ስዕረት ተባሂሉ ብሰፊሕ ክትንተን ቀንዩ እዩ። ኣብ ግጥም ትማሊ ምሸት፡ ሜክሲኮኣውያን ብፍላይ ኣብ ቀዳማይ እብረ ጸወታ፡ መሲ ኣድማዕነት ከም ዘይህልዎ ንምግባር ጸቒጦም ብምጽዋት ዕዉታት መሲሎም’ኳ እንተነበሩ፡ ድሕሪ ዕረፍቲ ግን ኣብ መበል 64 ደቒቕ፡ መሲ በታ ተኣምረኛ እግሩ ዝሃረማ ኵዕሶ ኣብ ሰኪዐት ተራእያ። ኣብ ቀዳማይ እብረ ጸወታ፡ መሲ ኣድማዕነቱ ቀኒሱ እዩ ተራእዩ። እቲ ሓይሊ ዝተሓወሶ ጸወታ፡ ብተዛማዲ ርግኣት ኣብ ዘርኣየሉ ኣጋጣሚ፡ እቲ ኮኾብ ኣርጀንቲናን ዓለምን ጸቕጢ ክገብር ተራእዩ። ኤንዞ ፈርናንደዝ፡ ጸወታ ኣብ ኣጋ መፈጸምታኡ ሸቶ ኣቝጺሩ ድማ ኣርጀንቲና 2 ብ 0 ተዓዊታ፡ እፎይታ ረኺባ። ኣርጀንቲና ናብ ዝቕጽል ዙር ንምሕላፍ፡ ዝመጽእ ረቡዕ 30 ሕዳር ኣንጻር ፖላንድ ሓይል ወሳኒ ግጥም ይጽበያ ኣሎ። ትማሊ ካብ ዝተኻየደ ካልእ ጸወታ ምድብ 3፡ ፖላንድን ስዑድ ዓረብን ዘካየዳኦ ግጥም ኰይኑ፡ ፖላንድ 2 ብ 0 ብምዕዋት፡ ጠቕላላ ኣርባዕተ ነጥቢ ኣዋህሊላ ንምድባ መሪሓ ናይ ምሕላፍ ዕድላ ኣስፊሓ’ላ። ኣብ ቀዳማይ እብረ እቲ ግጥም፡ ፒዮትር ዘለንስኪ ብዘመዝገባ ሸቶ፡ ሃገሩ ፖላንድ ነቲ ጸወታ ክትመርሖ ኣኽኢሉ። ኣብ ካልኣይ እብረ፡ ስዑዳውያን ንዝሰርሕዎ ጌጋ መዝሚዙ፡ ሓለቓ ጋንታ ሮበርት ሉዋንዶውስኪ ካልኣይቲ ሸቶ ብምቝጻር ንዓወት ሃገራዊት ጋንታኡ ኣደልዲሉ። እዚኣ፡ ነቲ ኣጥቃዒ ፈላሚት ሸቶኡ ኣብ ዋንጫ ዓለም ኰይና ተመዝጊባትሉ’ላ። ስለዝዀነ ድማ እቲ ‘ሃዳኒ ሸቶ’፡ ሓጐሱ ብንብዓት ኣሰንዩ ክገልጽ ተራእዩ። ተጻወትቲ ስዑድ ዓረብ ዝረኸብዋ ፍጹም ቅላዕ ከመዝግቡ ስለዘይከኣሉ፡ ብዜሮ ተሳዒሮም ወጺኦም። ሃገራውያን ጋንታታ ምድብ 3፡ ዝመጽእ 30 ሕዳር ወሳኒ ናይ መወዳእታ ምድብ ጸወታአን ከካይዳ እየን፤ በዚ መሰረት ስዑድያን ሜክሲኮን’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ዕለትን ሰዓትን [ምስ ኣርጀንቲናን ፖላንድን] ግጥም ተሰሪዑለን ኣሎ። እዚ ግጥማት ኣብ ዝተፈላለየ ሜዳታት፡ ኣብ ሓደ ሰዓት - ሰዓት 10፡00 ምሸት [ኣቈጻጽራ ምብራቕ ኣፍሪቃ] ክካየድ እዩ።","category":"ኣርጀንቲና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ckknnek1226o"} {"headline":"ኣርጀንቲናውያን ዓወት ጋንትኦም ብታሕጓስ ጸንቢሎሞ","content":"ብዓወት ሃገራዊት ጋንትኦም ኣመና ዝተሓጎሱ ኣርጀንቲናውያን ኣብ ኣደባባይ ቦነስ ኣይረስ ተኣኪቦም ነቲ ዓወት ጸንቢሎሞ።","category":"ኣርጀንቲና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c063636pgmjo"} {"headline":"መሲ ኣንጻር ምባፐ - 'ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ጐባልል' እንመን ነይሮም?","content":"ኣርጀንቲና ሰንበት ኣብ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ምስ ፈረንሳ ክትገጥም እያ። ሊዮነል መሲን ኪልያን ምባፐን ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ኣብ ቐጠር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ዋንጫ ዓለም ንሃገራቶም ኣነቓቒሖም እዮም። ስለዚ መሲ ቅድሚ ሕጂ ዘምለጦ ዋንጫ ዓለም ኣልዒሉ እዚ ውድድር 'ዋንጫ ዓለም መሲ' ተባሂሉ ክዝከር'ዶ ይኸውን? ወይስ ምባፐ ነታ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ሩስያ ዝተዓወተት ፈረንሳ ናብ ተኸታታሊ ዓወታት ክምርሓ ይኸውን? ቢቢሲ ስፖርት ኣብ ዝሓለፉ ውድድራት ኣብ ዓወታት ሃገሮም ዓቢ ኣበርክቶ ዝነበሮም ካልኦት ሽዱሽተ ተጻወትቲ የቕርብ። ብራዚል ኣብ 1958 ኣብ ሽወደን ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ክትጻወት እንከላ፡ ፔለ ወዲ 17 ዓመት ጥራይ እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ብራዚል ንመጀመርታ ግዜ ኣብዚ ውድድር ክትዕወት ትጽዕር ነይራ። ኣብ መኽፈቲ ክልተ ጸወታታት ሃገሩ ዘይተሳተፈ እቲ ኣጥቃዓይ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ልዕሊ ሕብረት ሶቭየት 2 ብ 0 ኣብ ዝተመዝገበ ዓወት ኣድናቘት ረኺቡ፤ ኣብ ርብዒ ፍጻመ ድማ ብራዚል ንዌልስ 1 ብ 0 ኣብ ዝሰዓረትሉ ጸወታ እንኮ ሸቶ ኣመዝጊቡ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ፔለ ደው ዘብሎ ኣይተረኸበን። ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ንፈረንሳ 5 ብ 2 ኣብ ዝሰዓረትሉ ጸወታ ሃትሪክ ኣመዝጊቡ። ኣብ መዛዘሚ ጸወታ ድማ ንሽወደን 5 ብ 2 ኣብ ዝሰዓረትሉ ጸወታ ተወሳኺ ክልተ ሸቶታት ኣመዝጊቡ እዩ። እዚኣ ንፔለ ካብ ሰለስተ ውድድራት ዋንጫ ዓለም እታ ቀዳመይቲ ነይራ። ኣብ 1962 ብሰንኪ መስበርቲ  ኣብ መኽፈቲ ክልተ ጸወታታት ጥራይ ተሳቲፉ። ኣብ 1970 ግን ኣብ ዝበለጸ ብቕዓቱ ስለዝነበረ፡ ብራዚል ኣብታ ኣብ ፍጻመ ጸወታ ንኢጣልያ 4 ብ 1 ዝተዓወተትሉ ጸወታ ዘመዝገባ ቀዳመይቲ ሸቶ ወሲኽካ ኣርባዕተ ሸቶታት ኣመዝጊቡ። ኣርጀንቲና ክልተ ግዜ ዋንጫ ዓለም ክትዕወት ከላ፡ ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚታት ሓደ ተጻዋታይ ኣብ ዓወታ ዓቢ ተራ ነይርዎ፤ ማርዮ ኬምፐስ። ኣብ 1978 ኣብ ኣርጀንቲና ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማሪዮ ነጊሱ እዩ። እዚ ኣጥቃዓይ ቫለንሽያ ኣብ ክልተ ተኸታተልቲ ዓመታት ኣብ ላሊጋ ዝለዓለ ኣመዝጋቢ ሸቶ ብምዃን፡ ናብዚ ውድድር ዝኣተወ ኰይኑ፡ ኣብታ ሃገር ዘይጻወት እንኮ ተጻዋታይ ኣርጀንቲና ነይሩ። ኬምፐስ ኣብ ቀዳማይ ናይ ምድብ ጸወታታት ሸቶ ከመዝግብ ኣይከኣለን፣ ኣብ ካልኣይ ዙር ግን ኣርጀንቲና ንፖላንድ 2 ብ 0 ኣብ ዝሰዓረትሉ ግጥም ንኽልቲአን ሸቶታት ንሱ'ዩ ኣመዝጊቡወን። ኣርጀንቲና ኣንጻር ፔሩ 6 ብ 0 ኣብ ዝሰዓረትሉ ግጥም ድማ ቀዳመይቲን ሳልሰይትን ሸቶታት ኣመዝጊቡ። በዚ ድማ ሃገሩ ናብ ፍጻመ ጸወታ ኣእትይዋ፤ ኬምፐስ፡ ሃገሩ ኣብ ቦነስ-ኣየርስ ንሆላንድ 3 ብ 1 ኣብ ዝሰዓረትሉ ጸወታ'ውን ክልተ ተወሳኽቲ ሸቶታት ኣመዝጊቡ እዩ። ንሱ ንሃገሩ ንፈለማ ዓወታ ሓጊዙዋ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ መወዳእታ ብሉጽ ኣመዝጋቢ ሸቶን ብሉጽ ተጻዋታይን ናይቲ ውድድር ኮይኑ ዛዚሙ። ኣብ 1982 ኣብ ስጳኛ ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ዝተሳተፈ ኢጣልያዊ ኣጥቃዓይ ፓውሎ ሮሲ፡ ኣብ ሴሪ ኣ ኣብ ዝተፈጸመ ምትዕርራይ ጸወታታት ብዝነበሮ ተራ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት እገዳ እዩ ናብ ጸወታ ተመሊሱ። ሃገራዊ ኣሰልጣኒ ኤንዞ ቢርዞት ንፓውሎ ብምምራጹ ኣብ ማዕከናት ዜና ኢጣልያ ተነቒፉ ነይሩ። ድሕሪ ድኹም ኣጀማምራ ግን፡ እቲ ኣጥቃዓይ፡ ኢጣልያ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ንምብጻሕ ኣንጻር ብራዚል ክትዕወተሉ ኣብ ዝነበራ ጸወታ ብሉጽ ሃትሪክ ብምምዝጋብ ደሚቝ። ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ኣንጻር ፖላንድ 2 ብ 0 ክትዕወት እንከላ ክልቲአን ሸቶታት፡ ኢጣልያ ኣብ መዛዘሚ ጸወታ ኣብ ልዕሊ ምዕራብ ጀርመን 3 ብ 1 ኣብ ዝተዓወተትሉ ግጥም ፈላመይቲ ሸቶ ኣመዝጊቡ። ሮሲ ብዘመዝገበን 6 ሸቶታት፡ ብሉጽ ኣመዝጋቢ ሸቶ ኰይኑ ወርቃዊ ጫማ ከምኡ'ውን ብሉጽ ተጻዋታይ ናይቲ ውድድር ኰይኑ ወርቃዊት ኩዕሶ ተሰሊሙ። ሓለቓ ጋንታ ኣርጀንቲና ድያጐ ማራዶና፡ ኣብ 1986 ኣብ ሜክሲኮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር፡ ሃገሩ ንኻልኣይ ግዜኣ ዋንጫ ዓለም ክትዓትር ኣብ ዝሓገዘሉ እዋን ጋንታኡ ብኣብነት መሪሑ። ቀዳመይቲ ሸቶ ኣንጻር ኢጣልያ ኣመዝጊቡ ኣርጀንቲና 1 ብ 1 ማዕረ ብምውጻእ ንምድባ ክትመርሕ ሓጊዙ። ኣብ ርብዒ ፍጻመ ክልተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ንእንግሊዝ 2 ብ 1 ስዒራ ካብቲ ውድድር ክትግለፍ ገይሩ። እታ ቀዳመይቲ ዕልልቲ ሸቶ ማራዶና፡ እታ ንፒተር ሺልተን ሓሊፉ፣ ዘሊሉ ንዝነውሓቶ ኩዕሶ ብኢዱ ጨሊፉ ዘመዝገባ 'ኢድ ኣምላኽ' እያ ነይራ። እታ ካልኣይቲ ግን ከም ሓንቲ ካብተን ዝበለጻ ሽቶታት ዋንጫ ዓለም እያ ትቝጸር፤ ካብ ውሽጢ ፍርቂ ሜዳኡ ኩዕሶ ሒዙ ንተኸላኸልቲ እንግሊዝ ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ ሺልተን ንምእማኑ ዘጸግም ሽቶ ኣመዝጊቡ። ነዚ ስዒቡ ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ንቤልጅየም 2 ብ 0 ኣብ ዝተዓወተትሉ ግጥም፡ ተወሳኺ ክልተ ዘደንጽዋ ሸቶታት ዘመዝገብ ክኸውን እንከሎ፣ ድሕሪኡ ኣብ ልዕሊ ምዕራብ ጀርመን 3 ብ 2 ኣብ ዝረትዓትሉ ናይ ፍጻመ ጸወታ ድማ ዓቢ ኣበርክቶ ገይሩ። 5 ሸቶታት ብምምዝጋብን 5 ውዱኣት ኩዓሳሱ ብምቕባልን፡ ማራዶና ብሉጽ ተጻዋታይ ናይቲ ውድድር ብምዃን ተዓዋቲ ወርቃዊት ኩዕሶ ኰይኑ። ብሉጽ ኣከፋፋሊ ዚነዲን ዚዳን ኣብ 1998 ፈረንሳ ዘአንገደቶ ዋንጫ ዓለም ትእምርቲ እቲ ውድድር ነይሩ። ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ኣፍሪቃ 3 ብ 0 ኣብ ዝተዓወተትሉ ግጥም፡ ንፈለማ ግዜ ንሃገሩ ሸቶ ብምምዝጋብን ብክሪስቶፍ ዱጋሪ ንዝተመዝገበት ውድእቲ ኩዕሶ ብምቐባልን ብሉጽ ኣጀማምራ ኣርእዩ። ድሕሪኡ ዚዳን፡ ፈረንሳ ኣንጻር ስዑዲ ዓረብ መሪሕነት ክትሕዝ ከላ ብሉጽ ተራ ነይርዎ። ኣብቲ 4 ብ 0 ዝተዓወተትሉ ግጥም ብቐይሕ ካርድ ድሕሪ ምብራሩ ግን ኣንጻር ዴንማርክ ኣብ ዝተገብረ ሳልሳይ ናይ ምድብ ጸወታን ኣብ ኣውዲቐካ ምሕላፍ ኣንጻር ፓራጓይ 1 ብ 0 ኣብ ዝተዓወተትሉን ኣይተሳተፈን። እንተዀነ ብብቕዓት ናብ ጸወታ ተመሊሱ፣ ኣንጻር ኢጣልያ ኣብ ፍጹም ቅላዕ ሸቶ ኣመዝጊቡ፤ ድሓር ድማ ኣብ ርብዒ ፍጻመ ፈረንሳ ንክሮኤሽያ 2 ብ 1 ክትዕወተላ ሓጊዙ። ፈረንሳ ኣብ ልዕሊ ብራዚል 3 ብ 0 ኣብ ዝተዓወተትሉ ናይ ፍጻመ ጸወታ ዚዳን፡ ብርእሱ ክልተ ሸቶታት ኣመዝጊቡ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ድማ ኣብ ዩሮ 2000 ብሉጽ ተጻዋታይ ተባሂሉ ተሸሊሙ፡ ፈረንሳ እውን ነቲ ውድድር ተዓዊታትሉ። እታ ናይ ፍጻመ ጸወታ - 1998 ንኣጥቃዓይ ብራዚል ሮናልዶ ዝዓበየት ህሞት ክትከውን ትጽቢት ይግበር ነይሩ። ይዅን እምበር ቅድሚ ጸወታ ምጭብባጥ ጭዋዳ ኣጋጢምዎ፡ ሃገሩ ብፈረንሳ 3 ብ 0 ኣብ ዝተሳዕረትሉ ግጥም ጽልዋ ከሕድር ኣይከኣለን። ኣብ 1999 ኣብ ብርኩ ዘጋጠሞ ከቢድ ማህሰይቲ ሞያኡ ከብቅዕ ስግኣት እንተነበሮ’ኳ፡ ድሕሪኡ ዝሰዓበ ግን ሓደ ካብቶም ዝዓበየ ዛንታታት ምልሶት ናብ ኩዕሶ እግሪ እዩ። ኣብ 2002 ኣብ ደቡብ ኮርያን ጃፓንን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር፡ ሮናልዶ፡ ኣብ 7 ጸወታታት 8 ሸቶታት ብምምዝጋብ፡ ስንባደ ዝፈጥር ተጻዋታይ ኰይኑ። ኣብተን ሰለስተ ናይ ምድብ ጸወታታት 4 ሸቶታት ኣመዝጊቡ - ሓንቲ፡ ብራዚል ኣንጻር ቱርኪ 2 ብ 1 ኣብ ዝሰዓረትሉ ጸወታ፡ ካልአይቲ ድማ ኣንጻር ቻይና 4 ብ 0 ኣብ ዝሰዓረትሉ፡ ክልተ ድማ ኣንጻር ኮስታሪካ 5 ብ 2 ኣብ ዘመዝገበቶ ቀሊል ዓወት። ብድሕሪኡ ኣብ ዙር 16 ኣንጻር ቤልጅየም 2 ብ 0 ኣብ ዝተዓወተትሉ ጸወታ፡ ሓንቲ ሸቶ ኣመዝጊቡ፤ ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ድማ ኣንጻር ቱርኪ 1 ብ 0 ክትዕወት እንከላ እታ እንኮ ሸቶ ናቱ ነይራ። ኣብ መዛዘሚ ጸወታ ንጀርመን 2 ብ 0 ኣብ ዝተዓወተትሉ ጸወታ ድማ ክልቲአን ሽቶታት ዘመዝገበ ሮናልዶ እዩ፤ ብሉጽ ኣመዝጋቢ ሸቶ ኰይኑ ድማ ዛዚሙ። ካብኡ ንደሓር ኣብ ዋንጫ ዓለም ካብኡ ንላዕሊ ሸቶ ዘመዝገበ ተጻዋታይ የለን፤ ዋላ'ኳ ክልቲኦም መሲን ምባፐን ሎሚ ዓመት ናብኡ ንምብጻሕ ገና ኣብ ውድድር እንተሃለዉ።","category":"ኣርጀንቲና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cjjqxzj96v3o"} {"headline":"ልዮነል ሜሲ ብ ፔለ ተታሒዙ ንዝነበረ ክብረ ወሰን ሰይርዎ","content":"ልዮነል ሜሲ ኣብ ክለብ ባርሴሎና ብምዃን መበል 644 ሽቶ ስለዘመዝገበ፡ ነቲ ብብራዚላዊ ፔለ ተታሒዙ ዝነበረ ክብረ ወሰን ሰይርዎ። ጋንታ ባርሴሎና ናብ ርያል ቫላዶሊድ ገይሻ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም፡ ልዮነል ሜሲ ኣብ መበል 65 ደቂቕ ሸቶ ኣመዝጊቡ ነዚ ክብሪ ክበቅዕ እንከሎ፡ ብሓፈሻ ባርሴሎና 3 ብ ባዶ እያ ተዓዊታ። ወሲ 33 ዓመት ኣርጀንቲናዊ ልዮነል ሜሲ፡ ኣብቲ ናይ ትማሊ ጸወታ ነታ ቀዳመይቲ ብክለሰንት ለንግለት ዝተመዝገበት ሸቶ ባዕሉ ዝኸሸና ክትከውን እንከላ፡ ኣብታ ካልኣይቲ ብማርቲን ዝተመዝገበት ሸቶ’ውን ናይ ሜሲ ኣበርክቶ ነይርዋ’ዩ። ብራዚላዊ ንጉስ ኩዕሶ እግሪ ፔለ፡ ምስ ክለብ ሳንቶስ ኮይኑ ካብ 1956 ክሳብ 1974 ን19 ወቕትታት ኣብ ዝተጻወተሉ፡ ኣብ ሓንቲ ጋንታ ኮይኑ 643 ሸቶታት ብምምዝጋብ ወናኒ እዚ ክብረ ወሰን ኮይኑ ጸኒሑ'ዩ። ልዮነል ሜሲ ብወገኑ፡ ምስ ባርሲሎና ኮይኑ ጸወታ ምስ ጀመረ ኣብ 2005 ሸቶ ምምዝጋብ ኣሃዱ ኢሉ ጀሚሩ፡ ክሳብ ሕጂ ኽኣ 10 ዋንጫ ላሊጋ፡ ኣርባዕተ ዋንጫ ጎባልል ክለባት ኣውሮጳን ካልእን ክስፍስፍ ክኢሉ ኣሎ። ኣብ'ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ላሊጋ፡ ብቕዓታ ብርኡይ ጎዲሉ ዘሎ ጋንታ ባርሲሎና፡ ካብታ ነቲ ውድድር ቀዳማይቲ ኮይና ትቕልሶ ዘላ ኣትለቲኮ ማድሪድ ብሸሞንተ ነጥቢ ድሒራ ኣብ መበል ሓምሻይ ተርታ ተሰሪዓ ትርከብ።","category":"ኣርጀንቲና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55421143"} {"headline":"ዋንጫ ዓለም 2022፡ መሲ፡ ሮናልዶ፡ ምባፐ፡ ነይማርን ካልኦትን ሃንቀው ዝብልዋ ዘለዉ ዋንጫ","content":"32 ሃገራት ናብ 16 ጸርየን፤ ኣብ መወዳእታኡ ኣብ ታሕሳስ 18 መን ነታ ዋንጫ ትስፍስፍ ናብ ዝግበር ጕዕዞ - ንርብዒ ፍጻመ 8 ሃገራት ተሪፈን ኣለዋ። ካብዘን ሸሞንተ ሃገራት እተን ሽዱሽተ ዋንጫ ዝወሰዳን ናብ ፍጻመ በጺሕን ዝፈልጣን ሃገራት እየን፡ ብድምር ኸኣ 10 ግዜ ዋንጫ ዓለም ወሲደን ኣለዋ። እታ ካብ ኵለን ፍልይ ዝበለት ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ኰይና፡ ንመጀመርታ ግዜ’ያ ናብ ርብዒ ፍጻመ ትሓልፍ ዘላ፤ ቅድሚ ሕጂ ሃገራት ኣፍሪቃ በጺሐናኦ ናብ ዘይፈልጣ ፍርቂ ፍጻመ ንምብጻሕ ከኣ ኣንጻር ፖርቱጋል ሓዊ ዝዀነ ጸወታ ይጽበያ ኣሎ። ቢቢሲ ነዚ ተሪፉ ዘሎ ጸወታ ዳህሲስዎ ኣሎ ንቐደም በሉ! ዓርቢ፡ ክሮኤሽያ ኣንጻር ብራዚል [ሰዓት ሽዱሽተ ድሕሪ ቀትሪ] ሆላንድ ኣንጻር ኣርጀንቲና [ሰዓት ዓሰርተ ምሸት] ቀዳም፡ ሞሮኮ ኣንጻር ፖርቱጓል [ሰዓት ሽዱሽተ ድሕሪ ቀትሪ] እንግሊዝ ኣንጻር ፈረንሳ [ሰዓት ዓሰርተ ምሸት] እተን ካብተን ነዛ ዋንጫ ክዕወታላ ይኽእላ’የን ተባሂለን ዝተገመታ ከም በዓል ጀርመን፡ ቤልጂምን ኣብ ናይ ምድብ ጸወታ፣ ስጳኛ ኸኣ ኣብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ስለዝተገለፋ፡ እቲ ትጽቢት ዘይተገበረሉ ኣገረምቲ ውጽኢታት ዝተመዝገቦ ዋንጫ ዓለም፡ ካብተን 32 ሃገራት ነተን 24 ሃገራት ናብ ሃገረን ኣሰናቢቱ ሸሞንተ ሃገራት ሒዙ ተሪፉ ኣሎ። እቶም ኣብዚ ዘመን ኵዕሶ እግሪ እንክለዓል ስሞም ከይተረቝሐ ዘይስገር ሊዮነል መሲን ክሪስትያኖ ሮናልዶን ከምኡ'ውን ነይማር፡ ሃሪ ከይን፡ ኪልያን ምባፐን ሉኳ ሞድሪችን’ውን ብተመሳሳሊ ስሞምን ስም ሃገሮምን ክዅልዑ ኣብዚ ወሳኒ ጸወታ ክጽመዱ’ዮም። እንግሊዝን ፈረንሳን ነዛ ዋንጫ ቅድሚ ሕጂ ወሲደናኣ ይፈልጣ’የን፤ እንግሊዝ ኣብ 1966፡ ፈረንሳ ከኣ ኣብ 1998 ከምኡ’ውን ኣብ 2018። እዘን ሃገራውያን ጋንታታት ቅድሚ 10 ዓመታት’የን ተጋጢመን፤ ኣብ ግጥም ኣውዲቅካ ምሕላፍ ክራኸባ ግን እዚ ፈለማ’ዩ። ኣብ ዋንጫ ኣውሮጳ 2012 ኣብ ሓደ ምድብ ዝነበራ እዘን ክልተ ሃገራት፡ ማዕረ 1 ብ 1 እየን ተፈላልያን ምንባረን ኣይርሳዕን። ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝተራኸባሉ ግጥም ምስ እንፍትሽ ግን ናብ 1982 ምምላስ የድሊ። ኣብ 1982 ኣብ ዝተራኸባሉ፡ እንግሊዛዊ ብርያን ሮብሰን ክልተ ሸቶታት ብምምዝጋብ እንግሊዝ 3 ብ 1 ክትዕወት እንከላ፡ ፈረንሳ ነታ ሓንቲ ሸቶ ካብ ሚሸል ፕላቲኒ’ያ ረኺባታ። እንግሊዝን ፈረንሳን ቀዳም ኣብ ዝህልወን ጸወታ፡ ፈረንሳ በቲ ንወርቃዊ ዋንጫ ብሓሙሽተ ሸቶታት ዝመርሕ ዘሎ ምባፐን ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ ዝልዓለ ሸቶ ብምምዝጋብ ክብሪ ሒዙ ዘሎ ኦሊቨር ጅሩድን መስመር መጥቃዕቲ ሒዛ'ያ ጸወታኣ ከተካይድ። ሓለቓ ጋንታ እንግሊዝ ሃሪ ኬይን፡ “ናይ ቀዳም ጸወታ ኣዝዩ ሓያል’ዩ ክኸውን፡ ፈረንሳ ድልድልቲ ጋንታ እያ፡ እቶም ንዝሓለፈ ዋንጫ ዓለም ዝተዓወቱ ንሶም’ዮም፣ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ሓያል ጸወታ’ዩ ክኸውን” ኢሉ። ኣስዒቡ፡ “ንዋንጫ ዓለም ክትዕወተሉ እንተዄንካ ካብ ዓለም ዝበለጸ ጸወታ ክትጻወት ኣለካ፤ ፈረንሳ ከኣ ኣብ ከምኡ ደረጃ ዘለዉ ኰይኑ ይስምዓኒ” ኢሉ። ሰንበት 18 ታሕሳስ ኣብ ደውሓ ዝርከብ ስታድዮም ሉሳየል ጸወታ ፍጻመ ከአንግድ’ዩ። ንዕድመኦም ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንመሲን ሮናልዶን እዚ ናይ መወዳእታ ዋንጫ ዓለሞም’ዩ ክኸውን። ክልቲኦም ኣብ መዛዘሚ ጸወታ እንተበጺሖም ከኣ ነቲ ድሙቕ ታሪኾም መሊሶም ክዅልዕዎ’ዮም። መሲን ሮናልዶን ንዝሓለፈ ዓመታት ዝና ኵዕሶ እግሪ ንሓድሕዶም’ዮም ክቐባበልሉ ጸኒሖም። ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም፡ መበል 1000 ፕሮፈሽናል ጸወታኡ ዘካየደ መሲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣውስትራልያ ሸቶ ብምምዝጋብ ነታ መበል 1000 ጸወታኡ ብሸቶ ጸንቢልዋ’ዩ፤ ክርስትያኖ ሮናልዶ ብወገኑ ኣብ ሓሙሽተ ተኸታተልቲ ዋንጫ ዓለም ሸቶ ብምምዝጋብ ክብረ ወሰን ክሕዝ ክኢሉ’ዩ። ክልቲኦም ኣብ ኣህጕሮም ዋንጫ ወሲዶም’ዮም፤ ነዛ ዋንጫ ዓለም ግን ክሳብ ሕጂ ሃንቀው ኢሎም’ዮም ዝጽበይዋ ዘለዉ። ቅድሚ ናብ ጸወታ ፍጻመ ምሕላፍና፡ ብራዚል ንክሮኤሽያ ኣርጀንቲና ኸኣ ንሆላንድ እንተስዒረናአን፡ እተን ከበድቲ ሚዛን ተባሂለን ዝግለጻ ኣብ ፍጻመ ኮፓ ኣሜሪካ ዝተራኸባ ብራዚልን ኣርጀንቲና ዝህሉ ጸወታ ፍርቂ ፍጻመ ኣፍካ ማይ ዘምልእ ክኸውን’ዩ። ንዋንጫ ዓለም ሓሙሽተ ግዜ ተዓዊታ ክብረ ወሰን ዝሓዘት ብራዚል፡ ንደቡብ ኮርያ ስዒራ፣ ኣርጀንቲና ከኣ ንኣውስትራልያ ስዒራ’የን ናብ ርብዒ ፍጻመ ሓሊፈን ዘለዋ። እዘን ክልተ ሃገራውያን ጋንታታት ኣብ ዋንጫ ዓለም ኣርባዕተ ግዜ ክራኸባ እንከለዋ ካብ 1990 ጀሚረን ግን ኣብ ዋንጫ ዓለም ተራኺበን ኣይፈልጣን። ብራዚል ዋንጫ ዓለም 2002 ምስ ተዓወተትሉ፡ ዝሰዓበ ውድድራት ዋንጫ ዓለም 2006፡ 2010፡ 2014፡ 2018 ኵሉ ኣውሮጳውያን ሃገራት ኢጣልያ፡ ስጳኛ፡ ጀርመንን ፈረንሳን’የን ተዓዊተናሉ። እዛ ዋንጫ ናብ ደቡብ ኣሜሪካ ክትምለስ እንተዀይና ከኣ እቲ ተስፋ ኣብ እንግድዓ ብራዚልን ኣርጀንቲናን’ዩ ዘሎ። ካብ ማህረምቲ ዝተመለሰ ነይማር፡ ኣብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ኮርያ ሸቶ ከመዝግብ ክኢሉ’ዩ። ምስቲ ፔለ ን ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ዘመዝገቦ 77 ሸቶታት ንኽመዓራረ ከኣ ሓንቲ ሸቶ’ያ ተሪፋቶ ዘላ። ኣብ ዋንጫ ዓለም፡ ብልዊስ ቫንሃል ትስልጥን ዘላ ሆላንድ፡ ኣንጻር ኣርጀንቲና ቅድሚ ሕጂ ሽዱሽተ ግዜ ተራኺባ ኣላ። እዛ ናይ ሕጂ ልክዕ ከምቲ ኣብ 1978 ዝተራኸባሉ ጸወታ ናብ ፍርቂ ፍጻመ መን ሓለፈ ኰይኑ፡ ኣርጀንቲና ንሆላንድ ብምግላፍ ኣብ መወዳእታ ነታ ዋንጫ ክትወስዳ ክኢላ’ያ። ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ኣብ ብራዚል ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ’ውን፡ ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ተራኺበን ኣርጀንቲና ብፍጹም ቅላዕ ክትዕወት ምኽኣላ ዝዝከር’ዩ። ግጥም እዘን ክልተ ሃገራት ግን ዝያዳ በታ ኣብ 1998 ደኒስ ቤርካምፕ ብጽቡቕ ጥበብ ኣብ መወዳእታ ደቂቕ ዘመዝገባ ሸቶ’ዩ ዝዝከር። እታ ሸቶ ንሆላንድ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዘሕለፈት ሸቶ’ያ ነይራ። ኮዲ ጋብኮከ ንሸቶ ቤርካምፕ እተዘክር ሸቶ ብምምዝጋብ፡ ታሪኽ1998 ደጊሙ ንሃገሩ ናብ ፍርቂ ፍጻመዶ የሕልፋ ይኸውን? ጽባሕ ዓርቢ መልሲ ሒዛትልና ኣላ! ኣሽረፍ ሓኪም ብዝቐለዓ ናይ መወዳእታ ፍጹም ቅላዕ ብዓወት ሞሮኮ ዝተዛዘመ ጸወታ ኣንጻር እታ ኣብ 2010 ዋንጫ ዓለም ዝዓተረት ስጳኛ፡ ሞሮኮ ኣዒንቲ ብዙሓት ንኽትስሕብ ኣኽኢልዋ’ዩ። ኣሽረፍ ሓኪም ከኣ ማእከል ስሕበት ጸወታ ሞሮኮ’ዩ ነይሩ። ድሕሪ ዓወቶም ንጉስ ሞሮኮ መሓመድ ናብ ኣሰልጣኒ እታ ሃገራዊት ጋንታ ወሊድ ረገራጒ ደዊሉ ኣተባቢዕዎ’ዩ። ሞሮኮ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘካየደቶ ሸውዓተ ጸወታታት ዋንጫ ዓለም 2022፡ ሓንቲ ሸቶ ጥራይ ክትምዝገባ እንከላ ክሳብ ሕጂ ኣይተሳዕረትን። ሞሮኮ ንስጳኛ ስዒራ ናብ ርብዒ ፍጻመ ብምስጋራ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ሃገራውያን ጋንታት ካሜሮን፡ ጋናን ሰኔጋል ዝበጽሓኦ ደረጃ ክትበጽሖ ክኢላ’ያ። ሕጂ ኣብ ኣፍሪቃ ሓድሽ ክብረ ወሰን ክምዝገብ እንተዀይኑ ንፖርቱጋል ስዒራ ናብ ርብጺ ፍጻመ ክትሓልፍ ኣለዋ። ብድሕሪኡ ዘሎ ኣብ ልዕሊ ክብሪ ክብሪ’ዩ ክኸውን፤ ዘይክኣል ግን ኣይኮነን። መን ይፈልጥ እታ ዋንጫ’ውን ንፈለማ እዋን ናብ ኣፍሪቃ ተምጽኣ ትኸውን።","category":"ኣርጀንቲና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c806g6dgl07o"} {"headline":"ኣርጂንቲና ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝተጸገሙ ንምርዳእ ንሃብታማት ግብሪ ክተኽፍል’ያ","content":"መንግስቲ ኣርጀንቲና ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘጋጠመ ጸገማት ንምፍታሕ ዝሕግዝ ኣታዊ ንምርካብ ኣብ ልዕሊ ሃብታማት ፍሉይ ግብሪ ኣንቢራ። እቲ ግብሪ ኣብ ምልክኻል እቲ ቫይረስ ዘገልግሉ ናውቲ ሕክምና ንምዕዳግ ከምኡ’ውን ቁጠባዊ ሃሰያ ንዝበጽሖም ንምሕጋዝ ከምዝውዕል ተሓቢሩ። ኣባላት ባይቶ “ግብሪ ሚልዮነራት” ክብሉ ዝገልጽዎ እዚ ዓይነት ግብሪ፡ ብሓደ ጊዜ ዝኽፈል ገንዘብ ኮይኑ፡ ብዓርቢ ጽዲቑ’ሎ። በዚ መሰረት ልዕሊ 2.5 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ሃብቲ ዘለዎም ሃብታማት ነቲ ግብሪ ክኸፍሉ ትጽቢት ይግበር። ኣብታ ሃገር ክንድዚ ዝኣክል መጠን ገንዘብ ዘለዎም ሰባት ኣስታት 12 ሽሕ ከምዝበጽሑ ይግለጽ። ኣርጀንቲና ብሰንኪ እቲ ለበዳ ኣዝየን ካብ ዝተሃሰያ ሃገራት ዓለም እያ። 1.5 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ክተሓዙ ከለዉ 40 ሽሕ ድማ ሞይቶም። 45 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኣርጀንቲና ብብዝሒ ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት ኣብ ዓለም ብሓምሻይ ደረጃ ትስራዕ። እቲ ለበዳ ኮሮሮናቫይረስ ንምግታእ ብዝብል ዝተቐመጠ ገደባት ምንቅስቓድ ድማ ብፍላይ ነቲ ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝነብር ህዝባ ተደራቢ ጸገም ከምዝኾኖ ይግለጽ። ብመሰረት እቲ ሓድሽ ውሳነ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ሃብታማት ካብ ሃብቶም 3.5 እቶም ኣብ ደገ ዝርከቡ ድማ 5.25 ሚኢታዊት ካብ ሃብቶም ኣታዊ ክገብሩ ተሓቲቶም ኣለዉ። ካብዚ ድማ ልዕሊ 3.5 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ንምርካብ ተሓሲቡ’ሎ። ብወገን ተቓወምቲ ውድባት ዝወሃብ ዘሎ ርእይቶታት ግን፡ እቲ ውሳነ ትኽክል ከምዘይኮነ ይገልጽ።","category":"ኣርጀንቲና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55205804"} {"headline":"ድሕሪ ሞት ማራዶና፡ ፖሊስ ንሓኪሙ ምርመራ ይግበረሉ ኣሎ","content":"ምስ ሞት ዲያጎ ኣርማንዶ ማራዶና ብዝተኣሳሰር፡ ፖሊስ ኣርጀንቲና ንሓኪም ናይ’ቲ ውሩይ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ምርመራ ይገብረሉ ኣሎ። ፖሊስ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ቦነስ ኣይረስ ንዝርከብ ናይ ዶ\/ር ሊዮፖልዶ ሉኮን መንበሪ ቤትን ማእከል ሕክምናን ፈቲሹ’ሎ። እዚ ምርመራ ክግበር ዝኸኣለ፡ ማራዶና ዕውት ዝተብሃለ መጥባሕቲ ድሕሪ ምክያዱ፡ ብሃንደበት ስለዝሞተ፡ ኣብ ከይዲ ሕክምናኡ ሸለልትነት ኣጋጢሙ ከይኸውን ዝብል ጥርጣረ ስለዝተፈጥረ እዩ። እቲ ወዲ 60 ዓመት ኮኾብ ተጻዋታይ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ እዩ ብድኻም ልቢ ሞይቱ። እቲ ሓኪም ዛጊድ ክሲ ኣይተመስረቶን፤ ንሱ’ውን ዝኾነ ዝፈጸምኩዎ ጌጋ የብለይን ክብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ እዩ። ማራዶና ቅድሚ ሞቱ፡ ዕውት ዝተብሃለ ናይ ርእሲ መጥባሕቲ ኣካይዱ ነይሩ። ነዚ መጥባሕቲ ክገብር ዝተገደደ ድማ፡ ኣብ ርእሱ ምልክታት ምርጋእ ደም ስለዝተርኣዮ እዩ ነይሩ። ደቁ፡ ኣብ ከይዲ ሕክምና ኣቦአን ምጽራይ ክግበር ድፍኢት ከምዝገበራ ይግለጽ። ፖሊስ፡ ማራዶና ቅድሚ ምሟቱ ዝግበረሉ ዝነበረ ሕክምና እንታይ ከምዝመስል እዩ ከጻርይ ዝደሊ ዘሎ። ፖሊስ ኣሕዲርዎ ዘሎ ጥርጣረ፡ እቲ ሓኪም ድሕሪ እቲ መጥባሕቲ ክገብሮም ዝግብኡ ዝነበሩ ጥንቃቐታት ከይገበረ ተሪፉ ከይኸውን ዝብል እዩ። ብተወሳኺ ድማ፡ ማራዶና ነቲ መጥባሕቲ ገይሩ ናብ ገዝኡ ምስተመለሰ፡ ንክሓዊ ዘኽእልዎ ነገራት ተጣጢሖምሉ ነይሮም’ዶ ዝብል’ውን ምጽራይ ክግበረሉ እዩ።","category":"ኣርጀንቲና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55127569"} {"headline":"ኣርጀንቲና ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝልዓለ ቁጽሪ መልከፍረቲ ኮሮናቫይረስ ኣመዝጊባ","content":"ኣብ ኣርጀንቲና ብሰሉስ ኣብ ሓደ መዓልቲ 12027 ሰባት ኮሮናቫይረስ ስለዝተረኸቦም እዚ ቁጽሪ ኣብታ ሃገር ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝተረኸበ ዝለዓለ ብዝሒ ኮይኑ ተመዝጊቡ። በዚ መሰረት ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን በጺሑ ኣሎ። ካብዞም ፍርቂ ሚልዮን እቶም ዝበዝሑ ካብ ዞባ ቦነስ ኣይረስ እዮም። ኣርጄንቲና ኣብ ምጅማር እዚ ለበዳ ካብተን ጽኑዕ ዝኾነ ዕጽዋ ዝኣወጃ ሃገራት ኮይና፡ ኣብቲ እዋን ዕጽዋ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝልከፉ ዝነበሩ ሰባት ኣዝዩ ውሑድ ወሰኽ’ዩ ዘርኢ ነይሩ። እንተኾነ ብሰንኪ እቲ ዕጽዋ ቁጠባ ናይታ ሃገርን ናይ ውልቀ ሰባትን ብኸቢድ ስለዝተሃሰየ ነቲ ቁጠባ ንምብርባር እቲ ተነቢሩ ዝነበረ ዕጽዋ ምስ ተላዓለ መጠን መልከፍቲ ብናህሪ ክውስኽ ተራእዩ። በዚ መሰረት ኣርጄንቲና ሓንቲ ካብትን ዝበዝሑ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ዜጋታት ዘለውወን ዓሰርተ ሃገራት ክትከውን ክኢላ ኣላ። ብመሰረት ካብ ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ብደረጃ ዓለም፡ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 27 ሚልዮንን 863 ሽሕን በጺሑ ኣሎ። ብደረጃ ዓለም፡ ልዕሊ 900 ሽሕ ሰባት ድማ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ሞይቶም። ኣሜሪካ ልዕሊ 6.3 ሚልዮን መልከፍቲ፡ ህንዲ ልዕሊ 4.3 ሚልዮን መልከፍቲ፡ ብራዚል ልዕሊ 4.1 ሚልዮን መልከፍቲ፡ ሩስያ ልዕሊ 1.03 ሚልዮን መልከፍቲ፡ ፔሩ ልዕሊ 696 ሽሕ መልከፍቲ፡ ኮሎምብያ ልዕሊ 686 ሽሕ መልከፍቲ፡ ሜክሲኮ ልዕሊ 647 ሽሕ መልከፍቲ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ልዕሊ 642 ሽሕ መልከፍቲ፡ ስጳኛ [ስፔን] ልዕሊ 543 ሽሕ መልፍቲ ከምኡ ድማ ኣርጀንቲና ልዕሊ 512 ሽሕ መልከፍቲ ብምምዝጋብ ኣብ ቀዳሞት ዓሰርተ ዘለዋ ሃገራት እየን።","category":"ኣርጀንቲና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54099040"} {"headline":"ውሩይ ኣርጀንቲናዊ ድያጎ ማራዶና ኣብ መበል 60 ዓመቱ ሎሚ ሞይቱ","content":"ኣርጀንቲናዊ ውሩይ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግርን ኣሰልጣንን ድያጎ ኣርማንዶ ማራዶና ኣብ መበል 60 ዓመቱ ሎሚ ሞይቱ። ማራዶና ኣብ ማእከል ምጥቃዕ ዝጻወት ኮይኑ ኣብ 1986 ንሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ዋንጫ ዓለም ክትዓትር ዘኽኣለ እዩ። ማራዶና ኣብ መጀመርታ ሕዳር ኣብ ሓንጎሉ ናይ ደም ምርጋእ ኣጋጢምዎ ዕዉት መትባሕቲ ከምዘካየደ ዝዝከር እዩ። ድሕሪ ዕዉት መጥባሕቲ ምክያዱ ኣቐድም ኣቢሉ ውሉፍ ናይ ኣልኮላዊ መስተ ኮይኑ ስለዝነበረ ካብቲ ወልፊ ንኽገላገል ሕክምናዊ ሓገዛት ከምዝግበረሉ እዩ ተሓቢሩ ነይሩ። ድያጎ ኣርማንዶ ማራዶና ዓለምና ካብ ዝርኣየቶም ብሉጻት ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ ሓደ ኮይኑ፡ ኣርጀንቲና ዋንጫ ዓለም 1986 ኣብ ዝዓተረትሉ ሓለቃ ጋንታ እታ ሃገራዊት ጋንታ ብምኳን ውልቓዊ ብቕዓቱ ከንጸባርቕ ክኢሉ እዩ። ኣርጀንቲናዊ ድያጎ ማራዶና፡ ኣብ ክለባት ባርሲሎናን ናፖሊን ብምጽዋት ምስ ጣልያናዊት ጋንታ ናፖሊ ብምዃን ክልተ ግዜ ዋንጫ ሰሪ ኣ ክዕወት ክኢሉ እዩ። ማራዶና ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ኮይኑ ኣብ ዘካየዶ 91 ጸወታታት 34 ሸቶታት ከመዝግብ እንከሎ ካብዚ እቲ ኣርባዕተ ኣብ ዋንጫ ዓለም ዘመዝገቦ እዩ። ማራዶና ኣብ ዋንጫ ዓለም 1990'ውን ንሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና መሪሑ ኣብ ግጥም ፍጻመ ብምብጻሕ ብምዕራብ ጀርመን ተሳዒሩ ካልአይቲኡ ዋንጫ ካብ ምዕታር ዝኸሰረሉ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ።","category":"ኣርጀንቲና","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55078676"} {"headline":"ብሪጣንያ፡ ጃፓንን ጣልያንን ዘማዕብልኣ ዘለዋ ኣእምሮ ኣብረርቲ ኣንቢባ እትበርር ነፋሪት","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ጣልያንን ጃፓንን ብጽምዶ ኮይነን ብሰብ ዝሰርሖ ብልሒ [ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ] ተሓጊዛ ኣእምሮ ናይ ኣብራሪ እናኣንበበት እትበርር ነፋሪት የማዕብላ ምህላወን ገሊጹ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ እዚ ሓባራዊ ዕዮ ንኣሽሓት ናይ ስራሕ ዕድል ዝፈጥርን ንመሓውራት ጸጥታ ዘደልድልን ምዃኑ ሓቢሩ። እዘን ሰለስተ ሃገራት ብሓባር ኮይን ዘማዕብልኣ ዘለዋ ነፋሪት ነተን ታይፑን ዝብሃል ጀታት እትትክእ ኮይና፡ ኣብ መፋርቕ 2030ታት ኣብ ግብራዊ ስራሕ ክውዕላ ምዃነን’ውን ተገሊጹ ኣሎ። ብዘይካ እዚ እተን ብሰብ ዝሰርሖ ብልሒ ዝምርሓ ነፈርቲ እቲ ኣዝዩ ምዕቡል ዝብሃል ወተሃደራዊ ኣጽዋር ክዓጥቓ ከምዝኽእላ’ውን ተስፋታት ተዋሂቡ ኣሎ። እቲ ድሮ ተጀሚሩ ዘሎ ስራሕ፡ ቀንዲ ዕላምኡ እታ ነፋሪት ልዑል ፍጥነት፡ ሓያል ናይ ምልላይ [ሰንሰር] ዓቕሚ ከምኡ ከኣ ንኣእምሮ ኣብረርቲ ብምንባብ ብዘይዝኾነ ሓገዘ ከምእተበርር ንምግባራ’ዩ። ብዘይካ እዚ እታ ነፋሪት ብዘይ ኣብራሪ ድሑን ዝኾነ በረራ ብምክያድ ዕላምኣ ብግቡእ ከምእትወቕዕ ንምግባራ’ዩ። እንተኾነ ንኸምዚ ዝኣመሰለት ነፋሪት ምህናጽ ኣዝዩ ብዙሕ ወጻኢታት’ዩ ዝሓትት። ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተሰርሓ ነፈርቲ፡ እተን ብፔንታጎን ዝማዕባላ ኤፍ35 ንምህናጽ እቲ ዝልዓለ ወጻኢታት’ዩ ክሓትት ጸኒሑ። ወጻኢታት እዘን ሓደሽቲ ነፈርቲ ኣዝዩ ክቡር ብምዃኑ’ያ ብሪጣንያ መሻርሽቲ ሃገራት ከተናዲ ጸኒሓ። ንዕድመ ብሪጣንያ መጀመርታ ሓንጎፋይ ኢላ ዝተቐበለት ጣልያን’ያ፡ ጃፓን’ውን ድሒራ ተጸንቢራተን። ነቲ መደብ ካልኦት ሃገራት’ውን ክጽንበረኦ ከምዝኽእል ተስፋታት ኣሎ። ንተመሳሳሊ መደብ ፈረንሳ፡ ጀርመንን ስጳኛን ብሓበራ፡ ኣሜሪካ ከኣ ንበይን ይሰርሓ ምህላወን ይፍለጥ። እዚ ጣልያንን ጃፓንን ተሓዊሰንኦ ዘለዋ መደብ ንብሪጣንያ ጉዳይ ውሕስነት ጸጥታ ጥራይ ዘይኮነ እንከላይ ውሕስነት ቁጠባ ዝህብ’ዩ። ምምዕባል እዘን ነፈርቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝካየድ ስለዝኾነ፡ ንኣሽሓት ብሪጣንያውያን ናይ ስራሕ ዕድል ዝፈጥር ከምዝኾነ’ዩ እምነት ተነቢርሉ ዘሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ነቲ መደብ ሎሚ ዓርቢ ብወግዒ ክኸፍቶ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3g574v23v2o"} {"headline":"ሓድግታት'ቲ ንጃፓን ዝነውሐ ዓመታት ዝመርሐ ቀዳማይ ሚኒስተር -ሺንዞ ኣቤ","content":"ንዝነውሐ ዓመታት ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ኮይኑ ዘገልገለ ሺንዞ ኣቤ፡ ብጎነጻዊ ፖሊሲ ወጻእን “ኣቢኖሚክስ” ተባሂሉ ብዝፍለጥ ሕላገት ቁጠባዊ ስትራተጅን ብሰፊሕ ይዝከር። ብዙሓት ዓቃባዊ ብሄርተኛ ኢሎም ዝገልጽዎ ወዲ 67 ዓመት ኣቤ፡ ሰልፊ ሊበራል ዲሞክራሲ መሪሑ ክልተ ግዘ ክዕወት ገይሩ እዩ። ኣብ 2006 ንፈለማ እዋን ፡ ንሓደ ዓመት ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ክምረጽ እንከሎ ኣካታዓይ እዩ ነይሩ። ኣብ 2012 ደጊሙ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስኮነ ድማ ክሳብ 2020 ኣገልጊሉ፤ እንተኾነ ብምኽንያት ጸገም ጥዕና ካብ ስልጣኑ ብፍቓዱ ወሪዱ። ንካልኣይ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ኣብ ዝተመረጸሉ እዋን፡ ቁጠባ እታ ሃገር ኣብ ምንቁልቋል ዝነበረ ኮይኑ፡ ብዝወሰዶም ስጉምቲታት ዕረያ ዕብየት ኣርእዩ። ብምኽንያት እቲ ኣብ 2011 ኣጋጢሙ፡ ኣስታት 20 ሽሕ ሰባት ዝቐተለን መልሐሚ ኑክሌር ፉኩሺማ ዘዕነወን ምንቅጥቃጥ መሬትን ሱናሚን፡ ተሃስዩ ዝነበረ ቁጠባ ጃፓን እውን ኣብ ዘበን ኣቤ እዩ ሓውዩ። ኣብ 2020 ግና እቲ ኣብ 2007 ካብ ስልጣን ንምውራድ ምኽንያት ዝኾኖ ሕማም መዓንጣ ደጊሱ ብፍቓዱ ስልጣኑ ክገድፍ ኣገዲድዎ። ዮሹሃይድ ሱጋ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ዝተከኦ ኮይኑ፡ ዛጊድ ግና ከም ጸላዊ ፖለቲከኛ እዩ ዝረአ ነይሩ። ወዲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነበር ሺንታሮ ኣቤን ወዲ ወዱ ንቐዳማይ ሚኒስተር ኖቡስኬ ኪሺን ዝኾነ ኣቤ፡ ካብ ፈሉጣት ፖለቲከኛታት እዩ ዝውለድ። ንፈለማ እዋን ኣብ 1993 ኣባል ፓርላማ ኮይኑ ተመሪጹ፤ ኣብ 2005 ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ጁኒቺሮ ኮይዙሚ ላዕለዋይ ጸሓፊ ካቢኔት ገይሩ መሪጽዎ። ኣብ 2006 ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንጃፓን ዝመርሐ ብዕድመ ዝነኣሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ። ኣስታት 50 ሚልዮን ክሲታት ዝቐረቡሉ ምስ ምስዋር መዛግብቲ ጥሮታ ዝተሓሓዝ ብልሽውና፡ ምምሕዳር ኣቤ ካብ ዝንቀፈሎም ጉዳያት ሓደ እዩ። ካብ ሕማሙ ከምዝሓወየ ብምግላጽ ኣብ 2012 ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ዝተመረጸ ሺንዙ ኣቤ፡ ኣብ 2014ን ከምኡ እውን 2017 ብተመሳሳሊ ተመሪጹ፡ ንጃፓን ንዝነውሐ ዓመታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ዘገልገለ መራሒ ኮይኑ። ዋላኳ ተቐባልነቱ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ልዕል ትሕት እንተበለ፡ ኣብቲ ዝመርሖ ዝነበረ ሰልፊ ሊበራል ዲሞክራሲ (ኤልዲፒ) ማዕሪኡ ጸላዊ ሰብ ብዘይምንባሩ፡ እቲ ውድብ ሕጉ ኣመሓይሹ ንሳልሳይ ግዘ ክወዳደር ፈቒዱሉ እዩ። ኣቤ ኣብ ምክልኻልን ጉዳያት ወጻእን ብዝኽተሎ ፖሊሲ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ነቲ ጃፓን ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ክትክተሎ ዝጀመረት ፖሊሲ ሰላም ንምልዋጥ ይደሊ ነይሩ። ዓቃባውያን ነቲ ብኣመሪካ ዝረቐቐ ሕገ መንግስቶም፡ ነቲ ወታሃደራት ጃፓን ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዘጋጠሞም ዘሕፍር ስዕረት እዩ ዘዘኻኽሮም። ብሄርተኛ ኣመለኻኽታ ኣቤ፡ ምስ ሃገራት ቻይናን ደቡብ ኮርያን ናብ ወጥሪ ኣእትይዎ ነይሩ፤ ብፍላይ ኣብ 2013 ኣብቲ ጃፓን ቅድምን ኣብ እዋንን ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ወታሃደራዊ ማእከል ገይራ እትጥቀመሉ ዝነበረት ከባቢ ያሱኪኒ፡ ምብጻሕ ምስገበረ እቲ ወጥሪ ሓዪሉ ነይሩ። ናብቲ ማእከል ዘካየዶ ተደጋጋሚ ምብጻሕ፡ ነቲ ጃፓን ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝፈጸመቶ ግፍዒታት ንምሕጻብ ዝዓለመ እዩ ብዝብል ካብ ጸጋማውያን ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ተቓውሞ ኣጋጢምዎ ነይሩ። ኣብ 2015 ጃፓን ካብ ሃገራ ወጻኢ ዓርሳን ፈተውታን ንምክልኻል ሰራዊት ክተዋፍር ድፍኢት ብምግባር ነቲ ነዚ ዘይፈቅድ ዝነበረ ሕጊ ክልወጥ ገይሩ እዩ። ምክልኻል ጃፓን ኣፍልጦ ንክረክብ ኣብ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ለውጢ ንምግባርን ምስ ሩስያ ዘሰሓሕበኦም ደሴታት ናብ ሃገሩ ንምምላስን ዝገበሮ ጻዕሪ ግን ኣይሰመረሉን። ኣቤኖሚክስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሕላገት ፖሊሲ ቁጠባ ሼንዞ ኣቤ፡ ኣብ ፈላማይ እብረ ስልጣኑ ቁጠባ ጃፓን ክዓቢ ከምዘኽኣለ ይግለጽ። እቲ ፖሊሲ ንሓጺር ግዘ ትሑት ወለድ ልቓሕ፣ ምውሳኽ ወጻኢታት መንግስቲ ኣብ ስራሕቲ ትሕተ ቅርጺ፣ ከም ናይ ግብሪ ሩፍታ ዝኣመሰሉ ገንዘባዊ መተባብዒታትን ደቂ ኣንስትዮ ብበዝሒ ኣብ ስራሕ ክዋፈራ ምግባርን ዝሓወሰ ነይሩ። እንተኾነ ኣብ 2020 ዘጋጠመ ምንቁልቋል፡ ንጻዕሪ ኣቤ ካልእ ፈተና ነይሩ። እዚን ካልእን ድማ ንውጺኢታውነት ኣካይዳ ኣቤ ኣብ ፈተና ዘእተዉ ነይሮም። ሺንዞ ኣቤ ንኮቪድ-19 ዝሓዘሉ መንገዲ እውን ካልእ ንተቐባልነቱ ዝጸለወ ኩነታት እዩ። ነቐፍቱ፡ ቱሪዝም ውሽጢ ዓዲ እታ ሃገር ንምዕባይ ዝወሰዶ ስጉምቲታት መልከፍቲ ክውስኽ ገይሩ እዩ ይብሉ። ኣመሪካ ትራንስ-ፓስፊክ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምሕዝነት ንግዲ 11 ሃገራት ገዲፋ ምስ ወጸት፡ እቲ ማሕበር ክቕጽል ዝገበሮ ኣበርከቶ ግና ዓለም ለኻዊ ናእዳ ኣርኪብሉ እዩ። ኣቤ ኣብ 28 ነሓሰ ስልጣኑ ከምዝገድፍ ምስገለጸ፡ ዝትከኦ ሰብ ክመርጽ ፍቓደኛ ብዘይ ምዃኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ሰልፊ ኤልዲፒ ናይ ስልጣን ንሕንሕ ክፍጠር ገይሩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ግና ናይ ነዊሕ እዋን ኣባል ካቢኔን ገዲም ፖለቲከኛን ዮሾሃይድ ሱጋ ተኪእዎ። እንተኾነ ዋላ ሱጋ ብቐዳማይ ሚነስተር ፉሚዮ ኪሺዳ ምስተተከአ፡ ኣቤ ኣብ ፖለቲካ ጃፓን ጸላዊ ከምዝነበረ እዩ ዝግለጽ። ሎሚ 8 ሓምለ 2022፡ ኣቤ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ናራ፡ ንሓደ ንላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ዝወዳደር ውልቀ ሰብ ወኪሉ ወፍሪ የካይድ ነይሩ። ብሓደ ኣባል ሓይሊ ዓርሰ ምክልኻል (ሓይሊ ባሕሪ) ከምዝነበረ ብዝተገለጸ ወዲ 41 ዓመት ሰብኣይ ጥይት ክትኮሰሉ እንተሎ፡ መደረ እናገበረ ነይሩ። ናብ ሆስፒታል ኣብ ዝተወሰደሉ እዋን ነብሱ ዝፈልጥ እኳ እንተነበረ፡ ጸኒሑ ግና በቲ ዘጓነፎ መጥቃዕቲ፡ ህይወቱ ሓሊፋ ኣላ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyd30312jvno"} {"headline":"ቶክዮ ምስክር ሓዳር መጻምድቲ ሓደ-ጾታ ትህብ","content":"ጃፓናዊት ከተማ ቶክዮ ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም መጻምድቲ ምስክር ወረቐት ሓዳር ዝረኽቡሉ ኣሰራርሓ ግብራዊ ክትገብር ጀሚራ። እዚ ድማ ንመጀመርታ ግዜ ገለ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ንምርካብ ከም ሰብ ሓዳር ክሕሰቡ ከምዘኽእሎም ይግለጽ ኣሎ። እዚ ስጕምቲ ከተማ ቶክዮ፡ ኣብ መላእ ጃፓን ሓቛፊ ማዕርነት ንኽረጋገፅ ዘኽእል ኵነታት ዝፈጥር እዩ፡ ዝብል ተስፋ ኣብ ገለ ሰባት ፈጢሩ’ሎ። ኣብዚ እዋን ካብ ጕጅለ ​​ምዕቡላት ሃገራት G-7 እታ እንኮ ንጥምረት ተመሳሳሊ ጾታ ኣፍልጦ ዘይትህብ ሃገር እያ። ይዅን እምበር፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ ዳህሳስ ከም ዝሕብሮ፡ መብዛሕትኦም ጃፓናውያን ንመውስቦ ሕደ-ጾታውያን ዝድግፉ እዮም። መንግስታዊ መደብር ተሌቪዥን ጃፓን ኤንኤችኬ [‘NHK’] ኣብ 2021 ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ 57 ሚእታዊት ክድግፉ እንከለዉ 37 ሚእታዊት ድማ ከምዝተቓወምዎ የመልክት። እዚ ሰፊሕ ደገፍ'ኳ እንተሃለወ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ግን ኣብ ኦሳካ ዝርከብ ኣውራጃዊ ቤት ፍርዲ እቲ ዝነበረ እገዳ መርዓ ተመሳሳሊ ጾታ ቅዋማዊ ምዃኑ ውሳነ ኣሕሊፉ ነይሩ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ጥቅምቲ፡ ሓደ ከባቢያዊ ወኪል ገዛኢ ሊበራል ዲሞክራስያዊ ሰልፊ፡ ንመውስቦ ተመሳሳሊ ጾታ \"ፍንፉን\" ክብል ብምግላፁ ሰፊሕ ነቐፌታ ከምዝቐረበሉ ይፍለጥ። እዚ ኣብ መላእ ጃፓን ኣብ ዝርከባ ካልኦት ሸሞንተ ኣውራጃታት'ውን ዝተኣታተወ ምሃብ ወረቐት ምስክር ሓዳር ሕደ-ጾታውያን፡ እቶም ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም መጻምድቲ ኣብ ጉዳይ መንበሪ ገዛ፡ ሕክምናን ካልኦት ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ማዕረ ከም ካልኦት ሰብ ሓዳር ተረባሕቲ ክዀኑ ዘኽእል እዩ። እንተዀነ፡ ቈልዑ ወሲድካ ከም ወላዲ ምዕባይ፡ ውርስን ንመጻምድቲ ዝወሃብ ቪዛን እቲ ወረቐት ምስክር ረብሓ ኣይክህልዎን እዩ። ዝዀነ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድመኡ ኣብ ቶክዮ ዝነብር ወይ ዝሰርሕ ሰብ ከመልክት ዝፍቀደሉ ኰይኑ፡ ክሳብ ዓርቢ ኣብ ዝነበረ እዋን 137 ሰባት ኣመልኪቶም ኣለዉ። እቲ ምስክር ወረቐት ንከም በዓል ሚኪን ኬቲን ዝኣመሰሉ መጻምድቲ፡ ኣእምሮኣዊ ዕረፍቲ ዝሃበ ኰይኑ’ሎ። \"እቲ ዝዓበየ ስግኣተይ ኣብ እዋን ሓደጋ ከም ፍሉያት ሰባት ከይንሕሰብ እዩ ነይሩ\" ክብል ሚኪ [ብቐዳማይ ስሞም ጥራይ ክጽውዑ ዝሓተተ] ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ተዛሪቡ። ትማሊ ሰሉስ ምስክር ወረቐት ካብ ዝተቐበሉ ቀዳሞት ሓንቲ ዝዀነት ተጣባቒት መሰላት ‘ኤልጂቢቲ’ ብዝብል ዝፍለጡ ሰባት ሶዮካ ያማሞቶ፡ \"መሰላት እዞም ውሑዳን ዝሕለወሉን ዝያዳ ማዕረ ዝረኣዩሉን ሕብረተሰብ ንምፍጣር ንዝግበር ጻዕርታት ከነቀላጥፎ ንኽእል ኢና\" ዝብል ልባዊ ተስፋ ከምዘለዋ ንጋዜጠኛታት ተዛሪባ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72n97ddzn6o"} {"headline":"ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ነበር መደረ ኣብ ዝህበሉ ዝነበረ ብጥይት ተቐቲሉ","content":"ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ብጥይት ዝተሃረመ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ነበር ሺንዞ ኣቤ፡ ህይወቱ ከምዝሓለፈ መራኸቢ ብዙሓን ጃፓን ሓቢሩ። እቲ ንጃፓን ብርክት ንዝበለ ዓመታት ዝመርሐ፡ ወዲ 67 ዓመት ኣቤ፡ ናራ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ይካየድ ኣብ ዝነበረ ምርጫዊ ጎስጓስ እናካየደ እንከሎ እዩ ብጥይት ተሃሪሙ። ኣቤ፡ ክልተ ግዜ ክትኮሰሉ እንከሎ፡ ኣብታ ካልኣይቲ ጥይት ብድሕሪኡ ስለ ዝተሃርመ ናብ መሬት ወዲቑ። ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ጸብጻባት ይገልጹ ኣለው። ኣመሓዳሪ ቶክዮ ዝነበረ ጆቺ ማሱዞ፡ ጥዕናዊ ኵነታት ኣቤ ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጽሓፎ፡ ልቡ ካብ ንቡር ስርሓ ተዳኺማ ምህላዋ ሓቢሩ ኔይሩ። ክሳብ ሕጂ ዘይተረጋገጹ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝልጠፉ ዘለው ምስልታት ድማ፡ ሰብ ሞያ ሕክምና ኣብ ማእከል ጽርግያ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ክሕክሙ ክጓየዩ የርእዩ። ኣቤ፡ ንሓደ ኣብ ናራ ዝወዳደር ሕጹይ ናይ ድጋፍ ዘረባ እናስመዐ እንከሎ ከም ዝተሃርመ መሰኻኽር ዓይኒ ተዛሪቦም። ንሱ ኣብታ ከተማ፡ ኣብ ጥቓ እቲ መጥቃዕቲ ዝተኻየደሉ ስፍራ ዝርከብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ክንክን እናተገበረሉ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ላዕለዋይ ኣባል ሊበራላዊ ደሞክራስያዊ ሰልፊ ምግላጹ መደበር ቴለቪዥን ኤንኤችኬ ጸብጺባ። እታ ቀዳመይቲ ጥይት ክትስሕቶ እንከላ፡ እታ ኻልኣይቲ ብሑቕኡ ሃሪማቶ እናደመየ ናብ መሬት ወዲቑ። ሓይልታት ጸጥታ ድማ፡ ነቲ ነዚ መጥቃዕቲ ምስ ፈጸመ ንምህዳም ዝዀነ ዓይነት ምንቅስቓስ ዘይገበረ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተውዎ ተገሊጹ። ማዕከን ዜና እታ ሃገር ኤንኤችኬይ፡ ፖሊስ ነቲ ብረት’ውን ከም ዝሓዝዎ ገሊጻ። ኣቤ፡ ኣብ ጃፓን ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ቀዳማይ ሚኒስትር ኰይኑ፡ ብ2020 ጥዕናዊ ጉዳያት ምኽንያት ብምግባር ካብ ስልጣን ከም ዝወረደ ይዝከር። ድሕሪኡ፡ ‘ኣልሰራቲቭ ኰሊቲስ’ [ulcerative colitis] ብዝተባህለ ሕማም መዓናጡ ከም ዝተጠቕዐ ገሊጹ። ኣብቲ ግዜ፡ እቲ ብፉሚዮ ኪሺዳ ዝተተክአ፡ ናይ ቀረባ ብጻዩ ዝነበረ ዮሽሂሂዴ ሱጋ ተተኪኡ ነይሩ። ኣብ ጃፓን፡ ዋንነት ብረት ፍቑድ ስለ ዘይኰነ፡ ብብረት መጥቃዕቲ ክፍጸም ሳሕቲ ዘጋጥም ተርእዮ እዩ። ተጓንፎታት ፖለቲካዊ ግጭት'ውን ብዙሕ ኣይስማዕን። ኣብ 2014፡ ኣብ ኣመሪካ ምስ ዘጋጠመ ሞት 33,599 ብምንጽጻር ኣብ ጃፓን ብብረት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሞት ሽዱሽተ ሰባት ጥራይ’ዩ ኣጋጢሙ። ኣብታ ሃገር፡ ብረት ዝዕድግ ሰብ ኣዝዩ ጽንኩር ፈተናን መርመራ ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ክሓልፍ ይግደድ። ብሞት እዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር፡ ፕረዚደንት ቭላዳሚር ፑቱን፡ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ዮን ሱክ ዮል፡ ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ስኮልዝ፡ ፕረዚደንት ሮማንያ ካላውስ ሎሃንስ፡ ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኦርጎጋን ዝርከብዎም ሓያለ መራሕቲ ሃገራት ሓዘኖም ይገልጹ ኣለው።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cg6zwq2qzwxo"} {"headline":"ንወግዓዊ ስነ ስርዓት ቀብሪ ሺንዞ ኣቤ ‘ዝተቓወመ’ ውልቀሰብ ንገዛእ ርእሱ ብሓዊ ኣቃጺሉ","content":"ንወግዓዊ ስነ ስርዓት ቀብሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ጃፓን ነበር ተቓውሞኡ ንምስማዕ ምዃኑ ዝተነግረሉ ውልቀሰብ፡ ንገዛእ ርእሱ ብሓዊ ከም ዘቃጸለ ተገሊጹ። ኣብቲ 27 መስከረም 2022 ዝፍጸም ስነ ስርዓት ቀብሪ ናይቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተቐትለ ሺንዞ ኣቤ፡ ኣማኢት ወጻእተኛታት ዕዱማት ክርከቡ ትጽቢት ይግበር። ሎሚ ረቡዕ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ጥቓ ኣብ ቶኪዮ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ንገዛእ ርእሱ ብሓዊ ከቃጽል ዝርኣዩ ሰባት ናብ ፖሊስ ሓቢሮም። እቲ ውልቀሰብ፡ ውኒኡ’ኳ እንተዘየጥፍአ ጉድኣት በጺሑዎ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስደ ግን ተገሊጹ። መጠን እቲ ዝበጽሖ ጉድኣትን ዝርከበሉ ኩነታትን ግን ክሳብ ሕጂ ኣይፍለጥን። ብመሰረት ሓበሬታ መራኸቢ ብዙሓን ጃፓን፡ እቲ ውልቀሰብ ኣብ 70ታት ዕድመ ዝርከብ እዩ። መንግስቲ ብወገኑ፡ ኣብዚ ጉዳይ ዝሃቦ ርኢይቶ የለን። ይኹን’ምበር፡ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ነቲ ህዝባዊ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣመልኪቶም ዝቐርቡ ተቓውሞታት ይሕይሉ ኣለው። ብዙሓት፡ ምስኡ ተተሓሒዙ ብዝወጽእ ገንዘብ ሕጉሳት ኣይኰኑን። ወዲ 67 ዓመት ሺንዞ ኣቤ፡ ብ8 ሓምለ 2022 ንሓደ ፖለቲከኛ ደጊፉ ጐስጓስ ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ ኣጋጣሚ እዩ ብዝተተኰሰሉ ጥይት ተቐቲሉ። እዚ ቅትለት ናይቲ ንነዊሕ ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሐ ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ብሰፊሑ ክኹነን እነከሎ፡ ኣብ ጃፓን ከቢድ ስንባደ ኣስዒቡ’ዩ። ጃፓን፡ ዝተሓተ ፖለቲካዊ ጐንጽን ገበን ኣጽዋርን ዘለዋ ሃገር ምዃና ይፍለጥ። ወግዓዊ ስነ ስርዓት ቀብሪ፡ ኣብ ጃፓን ልሙድ ኣሰራርሓ መንግስቲ ኣይኰነን፤ ተቓወምቲ ድማ ነቲ ዕለት ዝወጽእ ሃብቲ መንግስቲ ኣስታት 11.4 ሚሊዮን ዶላር ክኸውን እዩ ይብሉ። ሓደ ካብ ተቓወምቲ ሰልፍታት እታ ሃገር ዝዀነ ሰልፊ ኮንስቲትዩሽናል ዴሞክራቲክ፡ ሓገግቲ ኣባላት እቲ ሰልፊ ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ከም ዘይርከቡ ገሊጹ። ፖሊስ፡ ብዛዕባ እቲ ትማሊ ዝተፈጸመ ተቓውሞ ዝርዝር ሓበሬታ ክህብ ትጽቢት ይግበር፤ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ግን እቲ ውልቀሰብ ንነብሱ ብሓዊ ቅድሚ ምቅጻሉ ተቓውሞ የስምዕ ነይሩ ኢለን። ብተወሳኺ፡ ብኢድ ዝተጽሓፉ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ዘለዎም ወረቓቕቲ ኣብ ጥቓኡ ከም ዝተረኽቡ ሓቢረን። ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ፉምዮ ኪሺዳ፡ ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት ፖለቲከኛታትን ሺንዞ ኣቤን ምስቲ ኣዝዩ ኣካታዒ ዝዀነ - ዩኒፊከሽን ቤተክርስቲያን- ንዘለዎም ርክብ መዕለቢ ኣይገበረሉን ዝብል ጉዳይ ንተቓውሞታት እቲ ወግዓዊ ስነስርዓት ቀብሪ ከምዘጋደዶ ይግለጽ። እቲ፡ ንኣቤ ብምቕታል ዝተኸሰሰ ውልቀሰብ እቲ ቤተክርስቲያን ንስድራይ ኣኽሲሩዎም’ዩ ክብል ቃሉ ሂቡ ነይሩ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crgj802epw1o"} {"headline":"ሰሜን ኮርያ፡ መርከብ ኣሜሪካ ናብ ደቡብ ኮርያ ምእታዋ ስዒቡ ባሊስቲክ ሚሳይል ኣወንጪፋ","content":"ሰሜን ኮርያ ናብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕራ ባሊስቲክ ሚሳይል ኣወንጪፋ ክትኸውን ከምእትኽእል ይግለፅ ኣሎ። እዚ ድማ ድሕሪ’ቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተኻየደ ንፈለማ እዋን ዝፍለጥ ፈተነ ምዃኑ ወተሃደራዊ ሰበስልጣን ደቡብ ኮርያ ሓቢሮም። ሓንቲ መርከብ ጽዕነት ነፈርቲ ኣመሪካ ኣብ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ንምስታፍ ናብ ደቡብ ኮርያ ድሕሪ ምእታዋ ዝተኻየደ ምውንጫፍ ባሊስቲክ ሚሳይል ምዃኑ'ውን ተገሊፁ። ደቡብ ኮርያ \"ከቢድ ተግባር ትንኮያ\" ክትብል ገሊፃቶ’ላ። ሕቡራት ሃገራት ንሰሜን ኮርያ ፈተነ ባሊስቲክን ኒኩለርን ከይትገብር ከምዝኽልክላ ይፍለጥ። ሰራዊት ደቡብ ኮርያ፡ ቅድሚ ሰዓት 07፡00 ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር (11፡00 GMT) ካብ ሰሜን ፒዮንግያንግ ልዕሊ 100 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ታኤቾን ዝተተኮሰ ናይ ሓጺር ርሕቀት ሚሳይል ዘመልክት መረዳእታ ከምዝረኸበ ሓቢሩ። ኣብ 60 ኪ.ሜ ብራኸ ኣስታት 600 ኪ.ሜ ርሕቐት ከምዝተወንጨፈ ድማ ኣመልኪቱ። \"ሰራዊትና ኣብ ሙሉእ ድልውነት ዝርከብ ኮይኑ ምክትታልን ንቕሓትን እናጠናኸረ ከኣ ምስ ኣሜሪካ ይተሓባበር ኣሎ\" ይብል ሰራዊት ደቡብ ኮርያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ። ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ጃፓን ነቲ ዝተኻየደ ምውንጫፍ ሚሳይል ብምርግጋፅ መራኽብ \"ጥንቁቓት\" ክኾና ኣተሓሳሲቡ። ሚኒስተር ምክልኻል ጃፓን ያሱካዙ ሃማዳ፡ እቲ ሚሳይል ብኣስታት 50 ኪሎሜትር ብራኸ ተወንጪፉ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ሰሜን ኮርያ ከምኡ’ውን ካብቲ ፍሉይ ቁጠባዊ ዞባ ጃፓን ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ማያት ከምዝወደቐ ኣፍሊጡ። ተንታኒ ራንድ ኮርፖሬሽን ሱ ኪም ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ \"ሰሜን ኮርያ ንምሕዝነት [ኣመሪካ] ተቓውሞኣ ዘርእየትሉ ኣገባብ'ዩ\" ኢሉ። እታ ብኒኩለር እትሰርሕ ‘ዩኤስኤስ ሮናልድ ሬጋን’ ብዝብል እትፍለጥ መርከብ፡ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝካየድ ሓባራዊ ልምምድ ንምስታፍ፡ ኣብ ደቡባዊት ወደባዊት ከተማ ቡሳን ብዓርቢ እያ ተዓሺጋ (ዓሪፋ)። እቲ ልምምድ \"ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ሰላምን ምርግጋእን ንምርግጋፅ ዝዓለመ\" ምዃኑ ሓይሊ ባሕሪ ደቡብ ኮርያ ይሕብር። ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ኣሜሪካ ካማላ ሃሪስ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ከም ኣካል ናይቲ ናብቲ ዞባ እትገብሮ ጉዕዞ ናብ ደቡብ ኮርያ እትበፅሕ ኮይና፡ መገሽኣ ንስነስርዓት ቀብሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ነበር ሺንዞ ኣቤ ዘጠቓልል እዩ። ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ዝነበረ ወጥሪ ምስቲ  ሰሜን ኮርያ ብርክት ዝበሉ ባሊስቲክ ሚሳይላት ምውንጫፋ ስዒቡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እናተጓሃሃረ ምምጽኡ ይግለፅ። ኣብ ወርሒ ግንቦት ስልጣን ናብ ስልጣን ዝመፅአ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ዩን ሱክ-የኦል ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዝያዳ ተሪር መርገጺ ከምዝህልዎ ብምርግጋፅ፡ ምስ ኣሜሪካ ድማ ዝያዳ ጥቡቕ ርክብ ከምዝፈጥር ኣመልኪቱ ነይሩ። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ሰሜን ኮርያ ንነብሳ ኒኩለራዊ ኣጽዋር ዘለዋ ሃገር ምዃና ዝእውጅ ሕጊ ከምዘጽደቐት ይዝከር። መራሒ እታ ሃገር ኪም ጆንግ ኡን ብዛዕባ ምውጋድ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ዝምልከት ዝርርብ ክካየድ ከምዘይክእል’ውን ኣፍሊጡ ነይሩ። ሰሜን ኮርያ ዋላ'ኳ ተደጋጋሚ እገዳታት ኣብ ልዕሌኣ እንተተገብረ፡ ኣብ መንጎ 2006ን 2017ን ኣብ ዘለዉ ዓመታት ሽዱሽተ ፈተነታት ኒዩክለር ኣካይዳ’ላ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c06gy83g241o"} {"headline":"መራሕቲ ዓለም ብቕትለት ሺንዞ ኣቤ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊጾም","content":"መራሕቲ ዓለም ብቕትለት ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ነበር ሽንዞ ኣቤ ዝተሰምዖም ሓዘን ብስንባደ ይገልጹ ኣለዉ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ክብሪ ሽንዞ ኣቤ ንምግላጽ ባንዴራ ኣመሪካ ኣብዚ ቀዳመ ሰናብቲ ፍርቂ ትሕት ኢላ ክትምብልበል ኣዚዙ’ሎ። ካብ ቅትለት ንሕንጢጥ ዘምለጠ መዘንኡ ብራዚሊያዊ መራሒ ጄር ቦልሶናሮ ብወገኑ ኣብታ ሃገር ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሓዘን ከምዝኣወጀ ተፈሊጡ። ሽንዞ ኣቤ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ጃፓን ከተማ ናራ ኣብ ጎደናታት መደረ እንዳስመዐ እንከሎ ነይሩ ብኽልተ ጥይት ተወቒዑ ዝሞተ። ብቕትለት ሽንዞ ኣቤ ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ተቱሳያ ያማጋሚ ኣብ ገዛ ብዝተሰርሐ ብረት ገይሩ ከምዝቐተሎ ምእማኑ ፖሊስ ጃፓን ኣፍሊጡ። ፕረዚደንት ባይደን ብሞት ኣቤ ኣዝዩ ከምዝሓዘነ ድሕሪ ምግላጽ “ሽንዞ ኣቤ ኣብታ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመትሉ ህሞት እንከይተረፈ ብዛዕባ ዴሞክራሲ’ዩ ዝሰብኽ ነይሩ” ኢሉ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበራት ባራክ ኦባማን ዶናልድ ትራምፕን’ውን ብተመሳሳሊ ብሞት ሽንዞ ኣቤ ዝተሰምዖም ሓዘን ካብ ዝገለጹ መራሕቲ ገሊኦም’ዮም። ብቕትለት ሽንዞ ኣቤ ዓᎁቕ ሓዘን ከምዝተሰምዖ ዝገለጸ መራሒ ብራዚል ጄር ቦልሶናሮ ብወገኑ ንሽንዚ ኣቤ በሊሕ መራሒ ከምዝነበረ ብምግላጽ ቀታሊኡ ግቡእ መቅጻዕቲ ንኽረክብ ሃገሩ ብራዚል ምስ ጃፓን ደው ከምእትብል ኣረጋጊጹ። ንግስቲ ብሪጣንያ ኤልሳቤት፡ ዜና ሞት ሽንዞ ኣቤ ምስ ሰምዐት ኣዝያ ከምዝሓዘነት ገሊጻ። ንሳ ሽንዞ ኣቤ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣብ 2016 ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም ምብጻሕ ኣብ ዝገበረሉ ግዜ ተራኺቦም ከምዝነበሩን ኣብ ጻኒሒቶም ጽቡቕ ተዘክሮ ከምዝነበራ ሓቢራ። ቀዳማይ ሚኒሰተር ዩናይትድ ኪንግደም ቦሪስ ጆንሰን ብግድኡ ኣብዚ መሰንበድን ጸልማትን ግዜ ሃገሩ ምስ ህዝቢ ጃፓን ጠጠው ከከምእትብል ኣፍሊጡ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብወገኑ፡ ብቕትለት ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ነበር ሺንዞ ኣቤ ዝተሰመዖ ሓዘን ከምዝገለጸ ሓላፊ ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ብትዊተሩ ኣቢሉ ሓቢሩ ኣሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ነቲ መጥቃዕቲ “ኣስካሕካሒ ቅትለት” ኢሉ ዝገለጾ ኮይኑ “እቲ ጭካነ ዝተመልኦ መጥቃዕቲ ይቕረ ዘይበሃሎ’ዩ” ኢሉ። ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ንስድራ ሽንዞ ኣቤ ረኺቡ ዝተሰምዖ ሓዘን ከምዝገለጸሎም ድሕሪ ምግላጽ ኣቤ ጉርብትና ሩስያን ጃፓንን ንኽምዕብል ልዑል ኣበርክቶ ዝነበሮ ሕሉፍ ሃገራዊ ሰብ ነይሩ ኢሉዎ። ምስ ጃፓን ኮነ ሽንዞ ኣቤ ዝሑል ክበሃል ዝኽእል ርክባት ዝነበረን ሃገራት እንከይተረፈ ብሞት ሽንዞ ኣቤ ሓዘነን ገሊጸን። ማሕበራዊ ሚድያ ቻይናን ደቡብ ኮርያን ብሞት ሽንዞ ኣቤ ሓዘኖም ብዝገልጹ ርእይቶታት ከምዘዕለቕለቓ ተፈሊጡ። ቻይናን ደቡብ ኮርያን ምስ ጃፓን ብታሪኽ ዝተሓላለኸን ኣፍራሕን ርክባት ዝነበረን ሃገራት ከምዝኾና ይፍለጥ። ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ዮን ሱክ ዮኤል ቅትለት ኣቤ ዘይቅቡል መጥቃዕቲ ከምዝኾነ ብምግላጽ ንህዝቢ ጃፓን ኮነ ስድራ ቤት ሽንዞ ኣቤ ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጽሎም። ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ ብዛዕባ ቅትለት ሽንዞ ኣቤ ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ ሓዘን’ኳ እንተዘየሎ ኣብ ጃፓን ዝርከብ ኤምባሲ እታ ሃገር ግን ሽንዞ ኣቤ ኣብ ዘመነ ስልጣኑ ምሕዝነት ጃፓንን ቻይናን ንኽመሓየሽ ዝሰርሐ መራሒ ምንባሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናሬንዳራ ሞዲ ንዝኽሪ ሽንዞ ኣቤ ኣብታ ሃገር ናይ ሓደ መዓልቲ ኣዋጅ ሓዘን ከምዝኣወጀ ተፈሊጡ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c0w7y1qlx20o"} {"headline":"ሺንዞ ኣቤ ዝተቐተለሉ ህሞት እንታይ ይመስል ነይሩ?","content":"ንጃፓን ንነዊሕ ግዜ ብቀዳማይ ሚኒስተርነት ዝመርሐ ሺንዞ ኣቤ ብኣብ ገዛ ዝተሰርሐ ብረት ከምዝተቐትለ'ዩ ዝግለጽ። ነቲ ቅትለት ፈጺሙ ዝተብሃለ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ይፍለጥ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cgx1dn030kyo"} {"headline":"ከተጠንቅቕ ዝጸንሐት ሰሜን ኮርያ፡ ንደቡብ ሚሳይል ተኲሳ","content":"ሰሜን ኮርያ ናብ ደቡብ ኣንፈት ሚሳይል ወንጪፋ። እዚ ድማ ድሕሪ ምፍልላይ ክልቲኤን ሰሜን ኮርያታት ንፈለማ እዋን ዶብ ባሕሪ ዝሰገረ ሚሳይል ኰይኑ’ሎ። እቲ ናይ ሓጺር ርሕቀት ባሊስቲክ ሚሳይል ካብ ደቡብ ኮርያ ከተማ ሶክቾ ኣስታት 60 ኪ.ሜ ርሒቝ ዝዓለበ ኰይኑ፡ ኣብ ደሴት ኡሌንግዶ መጠንቀቕታ መጥቃዕቲ-ኣየር ኣበጊሱ። ደቡብ ኮርያ ንትንኮያ ሰሜን ኮርያ ምላሽ ንምሃብ ሰለስተ ሚሳይላት ከምዝተኮሰት’ውን ተፈሊጡ። ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ዩን ሱክ-የዮል፡ ነቲ ብጐረቤታ ዝተፈጸመ ምውንጫፍ ሚሳይል፡ \"ሳዕቤናዊ ግዝኣታዊ ወራር\" ክብል ገሊጽዎ። ሰሜን ኮርያ ሎሚ ረቡዕ ንግሆ ጥራይ ብውሕዱ 10 ሚሳይላት ናብ \"ምብራቕን ምዕራብን\" ከምዝተኮሰት ሰራዊት ደቡብ ኮርያ ይኸስስ። እቲ ሰራዊት፡ ንመውቃዕቲ ሰሜን ኮርያ ምላሽ ንምሃብ ጸኒሑ ሰለስተ ካብ ኣየር ናብ መሬት ዝድርበዩ ሚሳይላት ብሰሜን ገጽ ናብ ዘሎ ዶብ ባሕሪ ከም ዝተተኮሰ ገሊጹ። ደቡብ ኮርያ ቅድም ክብል፡ ወተሃደራዊ ሓይላ \"ነዚ ዓይነት ትንኮያ ሰሜን ኮርያ ክጻወሮ ኣይክእልን፤ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ምትሕብባር ደቡብ ኮርያን ኣሜሪካን ኰይኑ ድማ ብጥብቂን ሓያልን ግብረ-መልሲ ከምዝህብን\" ክትብል ኣጠንቂቓ ከምዝነበረት ሓባራዊ ሓለፍቲ ስታፍ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም። ፕረዚደንት ዩን ሱክ-የዮል ነቲ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ \"ቅልጡፍ ምላሽ\" ክወሃቦ ኣዚዙ ከምዝነበረ’ውን ወሲኾም ገሊጾም። መራሕቲ ደቡብ ኮርያን ጃፓንን ንናይ ሰሜን ኮርያ ዳሕረዋይ ተዅሲ ብዝምልከት ንምዝርራብ ኣኼባታት ሃገራዊ ድሕነት ጸዊዖም ኣለዉ። ክልቲአን ሃገራት ነቲ ንሰሜናዊ መስመር ደረት - እቲ ከም ቅቡል ዝውሰድ ዶብ ባሕሪ - ዝጠሓሰ ሓዊሱ ንዅሎም ዝተተኮሱ ሚሳይላት ሎሚ ረቡዕ ቅድሚ ሰዓት 09፡00 (00፡00 GMT) መዝጊበን’የን። እቲ ሓደ ሚሳይል ካብ መስመር ምሕንጻጽ ዶብ ንደቡብ 26 ኪ.ሜ፡ ካብ ደቡብ ኮርያዊት ከተማ ሶክቾ ንምብራቕ 57 ኪ.ሜ፣ ካብ ደሴት ኡሌንግዶ ድማ ንሰሜን-ምዕራብ 167 ኪ.ሜ ርሒቝ ኣብ ዝርከብ ማያት’ዩ ዓሊቡ። ዳይረክተር ስርሒታት ሓባራዊ ሓለፍቲ ስታፍ ካንግ ሺን-ቹል፡ እዚ \"ኣዝዩ ዘይተለምደን ዘይቅቡልን\" ከምዝዀነ ብምግላጽ፡ ምኽንያቱ ድማ እታ ሓውሲ ደሴት ሃገር ናብ ክልተ ካብ እትምቀል ንደሓር፡ \"ንመጀመርታ ግዜ ናብ ደቡብ መስመር ደረት ሰሜናዊ ማያዊ ግዝኣት\" ስለዝወደቐት ከምዝዀነ ኣረዲኡ። እቶም ሚሳይላት፡ መንግስቲ ሰሜን ኮርያን እቲ ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ኣብዚ ሰሙን ኣብቲ ከባቢ ዝገብራኦ ዘለዋ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ደው ከብላ መጠንቀቕታ ካብ ዝህብ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ዝተተኮሱ እዮም። እተን መሓዙት ሃገራት ልምምዳተን ደው እንተዘየቢለን፡ \"ከቢድ\" ስጕምትታት ከም እትወስድ ሰሜን ኮርያ ብሰሉስ ኣጠንቂቓ ነይራ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cxr51e3dpr7o"} {"headline":"ትሽዓተ ሚልዮን ነበርቲ ዘፈናቐለ ውሕጅ","content":"ኣብ ጃፓን፡ ብሰንኪ ሓያል ዝናብን ማዕበልን ምህማም መሬትን ሓደጋ ውሑጅን ከየጋጥም ተሰጊኡ። ካብ ቀረባ ዓሰርታት ዓመታት ንነጀው፡ እታ ሃገር ብኣዝዩ ዝለዓለ ማዕበል ተጠቒዓ ትርከብ። እዚ፡ ታይፎን ናንማዶል ዝተባህለ ማዕበል ብውሑዱ ክልተ ሰባት ክቐትል እንከሎ፡ ብሰንበት ንጉሆ ኣብ ደቡባዊ ደሴት ክዩሹ ብዝስዓበ ምህማም መሬት፡ 90 ሰባት ጉድኣት በጺሑዎም። በዚ ምኽንያት፡ ትሸዓተ ሚሊዮን ሰባት ካብ መንበሪ ገዝኦም ክግዕዙ ክንገሮም እንከሎ፡ ኣብ 350 ሽሕ ኣባይቲ ኣገልግሎት መብራህቲ ተቛሪጹ። ኣብ ዝቕጽል 24 ሰዓታት 400 ሚሊ ሜትር ዝናብ ክሃርም ከም ዝኽእል ትንበያታት የመልክቱ። ማዕከን ዜና እታ ሃገር ኤንኤችኬ፡ ኣብ መኪንኡ እንከሎ ብውሑጅ ዝተዋሕጠ ሓደ ውልቀሰብን፡ ብምህማም መሬት ዝተቐብረ ካልእን ከም ዝሞቱ ሓቢራ። ካልእ ድሃዩ ዘይተረኸበ ውልቀሰብ ክህሉ እንከሎ፡ 87 ሰባት ከም ዝቘሰሉ ይግለጽ። እዚ ህቦብላ፡ ኣብ ሰዓት 234 ኪሎ ሜትሮ ዝጉዓዝ ኰይኑ፡ ኣባይቲ ኣዕንዩ፡ ኣገልግሎት መጓዓዝያን ንግድን ክቋረጽ ገይሩ ኣሎ። ህቦብላ ናንማዶል፡ ማዕረ ራብኣይ ወይ ሓምሻይ ደረጃ ሃሪኬይን ከም ዝዀነ ተገሊጹ። ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ቶክዮ፡ ከቢድ ዝናብ ተአንግድ ብምህላዋ ብምኽንያት ውሕጅ ምንቅስቓሳት ይትኣጓጐሉ ኣለው። ኣገልግሎታት ባቡር ተቛሪጹ ኣማኢት በረራታት ተሰሪዙ፤ ድኳናትን ትካላት ንግድን ክኣ ተዓጽዮም ኣለው። ቀዳማይ ሚኒስትር ፉሚዮ ኪሺዳ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምስታፍ ናብ ኣሜሪካ ዝነበሮ በረራ ክደናጐ ገይሩ’ዩ። እቲ ማዕበል፡ ኣንፈቱ ናብ ምብራቕ ክቕይርን ሮቡዕ ናብ ባሕሪ ቅድሚ ምዃዱ ንደሴት ሆንሹ ከም ዝሓልፍን ትንበያታት የመልክቱ። ተመራመርቲ፡ ኣብዚ ዓመት፡ ብተፈጥሮኣዊ ክስተት ኤልኒኖ ዝስዓበ ንጡፍ ወቕቲ ሃሪኬይን ከም ዝህሉ ገሚቶም ነይሮም። ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ፡ ኣብ ኣትላንቲክን ካሪብያንን ዘጋጥም ዘሎ ዋዒ ፍጥነትን ጻዕቕን ሃሪኬናት ክጸልዎ ከም ዝኽእል’ውን ይግመት።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72en8el449o"} {"headline":"ሰሜን ኮርያ ሚሳይላት ድሕሪ ምውንጫፋ፡ ካማላ ሃሪስ ደቡብ ኮርያ ኣትያ","content":"ምክትል ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ካማላ ሃሪስ፡ ሰሜን ኮርያ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ክልተ ሓጺር ርሕቐት ዘለዎም ባላስቲክ ሚሳይላት ምስ ኣወንጨፈት ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ኣብ ደቡብ ኮርያ ምብጻሕ ንምግባር ኣትያ። እቲ ስጉምቲ፡ እገዳታት ኣሜሪካ ዝጥሕስ ኰይኑ፡ ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ኣብ ማያት ጥቓ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ሓበራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ምጅማረን ስዒቡ ዝወሰደቶ ስጉምቲ እዩ። ሰብ መዚ ደቡብ ኮርያን ጃፓንን “ምትንዃይ” ክብሉ ኰኒኖም። ሰሜን ኮርያ፡ ኣብዚ ሰሙን ጥራይ ክልተ ግዜ ሚሳይል ኣወንጪፋ ኣላ። ካማላ ሃሪስ፡ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ እትገብሮ ምብጻሕ፡ ክልቲአን ኮርያ ናብ ዝፈልየን ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ከይገበረሉ ስምምዕ ዝተበጽሓሉ ዞባን ዶብን ክትጉዓዝ እያ። ትማሊ፡ ኣብ ጃፓን ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ንዝርከቡ ወተሃደራት ኣሜሪካ ዘረባ ከተስምዕ እንከላ፡ ሰሜን ኮርያ ኣብ ቀረባ ንዝገበረቶ ምውንጫፍ ሚሳይላትን “ዞባዊ ምርግጋእ ኣብ ሓደጋ ዘጥሕል ዘይሕጋዊ ፕሮግራም ኣጽዋር” ንዝበለቶን ኰኒና። ክልቲአን ኮርያ፡ ዓቕሚ ሰራዊት ምክልኻለን የሐይላ ብምህላወን ሰሜን ኮርያ ኒዩክሌር ጠጠው ክተብል ዝግበሩ ዝነበሩ ዝርርባት ፍረ ኣየፍረዩን። ኣብቲ ሰሙን - እቲ ናይ መጀመርታ ሚሳይል፡ ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ሓበራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ቅድሚ ምጅማረን ብሰንበት ዘወንጨፈቶ ኰይኑ - ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ንፈለማ ግዜ እዩ። ኣብዚ ዓመት ግን፡ ልዕሊ 30 ኣጽዋር ንፈተነ ኣወንጪፋ እያ፤ እዚ ድማ ምስ ሕሉፍ እንትነጻጸር እቲ ዝበዝሐ ፈተነ ዝገበረትሉ ዓመት እዩ። ሰብ መዚ ደቡብ ኮርያ፡ እቶም ትማሊ ሮቡዕ ዝተወንጨፉ ሚሳይላት 360 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐትን 30 ኪሎ ሜትሮ ብራኸን ዝውንጨፉ’ዮም ኢሎም። “ትንኰያ ሰሜን ኮርያ፡ ዓቕሚ ምክልኻልን ምላሽ ምሃብን ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ዝያዳ ዘጠናኽር፤ ሰሜን ኮርያ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ክትግለል ዝገብር እዩ” ክትብል ደቡብ ኮርያ ገሊጻ። ተንተንቲ፡ ስጉምቲ ሰሜን ኮርያ፡ ነቲ ክልቲአን ሃገራት ጀሚረንኦ ዘለዋ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ዝተዋህበ ምላሽ እዩ ይብሉ። እቲ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝጸንሕ ሓበራዊ ልምምድ፡ ካብ 2017 ጀሚሩ ንፈለማ እዋን ዝካየድ ዘሎ እዩ። ኣምባሳደር ሰሜን ኮርያ፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ኣብ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዖ ዘረባ፡ ንወተሃደራዊ ልምምድ ደቡብ ኮርያን ኣሜሪካብ ብምንቃፍ፤ ነቲ ዞባ “ናብ ጫፍ ኲናት” የምጽእኦ ኣለዋ ክብል ወቒሱ። ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ እትኽተሎ “ተጻባኢ ፖሊሲ”፡ ምኽንያት እቲ ሕጂ ዓለም “ናብ ዝኸፍአ ምዕራፍ እትኸደሉ ዘላ” ኩነታት እዩ ኢሉ። ክልቲአን ሃገራትግን፡ እቲ ዘካይድኦ ዘለዋ ወተሃደራዊ ልምምድ፡ እቲ ዞባ ንምርግጋእ ዝዓለመ’ዩ ይብላ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ናብ ስልጣን ዝመጽአ ፕሬዝደንት ደቡብ ኮርያ ዮን ሱክ-ዮል፡ ስግኣት ሰሜን ኮርያ ንምክልኻል ምስ ኣሜሪካ ዘለዎ ርክብ ኣብ ምጥንኻር ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ እዩ ጸኒሑ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c512e023dvvo"} {"headline":"ኣህባይ በረኻ ጃፓን፡ ሰባት የጥቅዑ'ለው","content":"ኣብዚ ቐረባ ሰሙናት ኣህባይ በረኻ ኣብ ጃፓን ኣብ ልዕሊ ሰባት መጥቃዕቲ ይፍጽሙ ከምዘለዉ ተገሊጹ። ብሰንኪ'ዚ፡ ኣብ ከተማ ያማጉቺ ቈልዑን ኣረጋውያንን ዝርከብዎም 42 ሰባት ከም ዝቘሰሉ ጸብጻባት ይሕብሩ። እቲ መጥቃዕቲ ማካው ወይ ስኖው ማንኪ ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣህባይ ጃፓን ዝፈጸምዎ ከምዝዀነ ተረጋጊጹ'ሎ። ይዅን እምበር እዞም ኣህባይ ኣብ መብዛሕትኡ ክፍልታት እታ ሃገር ልሙዳት'ኳ እንተዀኑ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መጥቃዕቲታት ግን ዘይተለምደ እዩ። ፖሊስ ጃፓን ነቲ ንነበርቲ ዘሸብር ዘሎ መጥቃዕቲ ኣህባይ ንምዕጋት መዐገሲ ጠበናጁ ከምዝጥቀም ኣፍሊጡ’ሎ። ስሙ ክጥቀስ ዘይፈቐደ ሓደ በዓል ስልጣን እታ ሃገር፡ \"ከምዚ ዝበለ ብዙሕ መጥቃዕቲ ኣብ ሓጺር እዋን ምርኣይ ሳሕቲ ዘጋጥም እዩ\" ኢሉ። \"ኣብ ፈለማ ቈልዑን ኣንስትን ጥራይ እዮም ዘጥቅዑ ነይሮም። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ግን ንእኹላት ሰብኡትን ብዕድመ ንዝደፍኡን'ውን ግዳይ መጥቃዕቲ ገይሮምዎም ኣለዉ።\" ነቶም ኣህባይ ብመጻወድያ ንምሓዝ ዝተገብረ ፈተነ ፈሺሉ እዩ። ካብቲ ኣብ መጀመርታ ሓምለ ዘጋጠመ ቀዳማይ መጥቃዕቲ ኣትሒዙ ዝተገብረ ሓለዋ ፖሊስ፡ ነቶም እንስሳታት ደው ከብሎም ኣይከኣለን። እዚ መጥቃዕቲታት፡ ብዕስለ ድዩ ዝፍጸም ዘሎ ወይስ ብውሱናት ኣህባይ ዛጊት ዝተገልጸ ነገር የለን። ግዳያት፡ ካብ ምፍሕጣር ጀሚሩ፡ ኣእጋሮምን ኣእዳዎምን ክሳውዶምን ከስዖምን ከምዝተነኽሱ ናይቲ ከባቢ መራኸቢ ብዙሃን ጸብጺበን። እዞም ኣህባይ፡ ኣፓርታማ ሰይሮም ዝባሕጠርዋ ጓል ኣርባዕተ ዓመት ሓንቲ ካብ ግዳያት እያ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኸኣ ሓደ ህበይ ሓደ ክፍሊ መዋእለ ህጻናት ከም ዝሰባበረ ዝገልጽ ዜና ተቓሊሑ እዩ። ገሊኦም ተቐማጦ፡ እቶም ኣህባይ ናብ ኣባይቶም ብዝንሸራተት መዓጹ ወይ ከኣ ብኽፉት መሳዅቲ ከም ዝኣተዉ ይሕብሩ። \"ኣብ ታሕቲ ብኽያት ሰሚዐ ቀልጢፈ ወሪደ። ሽዑ ህበይ ኣብ ልዕሊ ወደይ ረኺበዮ\" ክብል ሓደ ኣቦ ንጋዜጠኛታት ገሊጹ። ኣብ ሓደ እዋን ንሓደጋ ምጥፋእ ተቓሊዖም ዝነበሩ ማካው ህበይ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ቍጽሮም ይውስኽ ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ ዓለምለኸ ሕብረት ድሕነት ተፈጥሮ ካብ ዘተሓሳስቡ እንስሳታት ገይሩ መዝጊብዎም እዩ። ይዅን እምበር ካብ ዩኒቨርሲቲ ያማጋታ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ካብ ሕማሞም ቍጽሮም ምውሳኹ \"ኣብ መንጎ ሰባትን እዞም ኣህባይን ከቢድ ግጭት ኣለዓዒሉ እዩ።\" ጠንቂ'ዚ፡ ኣብ መንጐ ሰባትን እቶም ኣህባይን ዝነበረ ርሕቐት ምንካዩ ከምዝዀነ እቲ መጽናዕቲ ይሕብር። ኣብቶም ኣህባይ ዝነበረ ባህላዊ ኣረኣእያ ምቕያሩ፡ ኣብ ባህርያት ደቅሰብ ለውጢ ምምጽኡ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ባህሪያዊ ቦታኦም ዝግበር ለውጥታት ምኽንያታት ክዀኑ ከምዝኽእሉ ይግለጽ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyx8852vn7ro"} {"headline":"ቻይና ምስ ኣመሪካ ዝጀመረቶ ኣገዳሲ ምትሕብባር ደው ኣቢላ","content":"ቻይና ምስ ኣሜሪካ፡ ኣብ ለውጢ ክሊማ፣ ወተሃደራዊ ዝርርብን ኣህጉራዊ ገበናት ንምምካት ኣብ እትገብሮ ፃዕርን ሓዊሱ ኣብ ሓያሎ ኣገዳሲ መዳያት ዝነበራ ምትሕብባር ደው ከምዘበለት ኣፍሊጣ። እዚ ሓድሽ ስጉምቲ፡ ብላዕለዋይ ዲሞክራት፡ ናንሲ ፔሎሲዝምራሕ ልኡኽ ኮንግረስ ኣሜሪካ ናብ ታይዋን ድሕሪ ምኻዱ ስዒቡ'ዩ። ንወ\/ሮ ፔሎሲን ስድራቤታን’ውን እገዳ ከም እትገብር ዘፍለጠት ቻይና፡ እቲ ምብጻሕ ነቲ ኣብ ልዕሊ ታይዋን ኣለኒ እትበሎ ልኡላውነት ከም ብድሆ’ያ ትርእዮ። እታ ባዕላ እተመሓድር ደሴት ታይዋን ግን፡ ኣካል ቻይና ገይራ ኣይትቖጽርን። እቶም ስጉምትታት ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ትማሊ ዓርቢ እዮም ዕላዊ ኮይኖም። ኣብ መንጎ ሰበስልጣን ምክልኻል ኣሜሪካን ቻይናን ክግበር ተወጢኑ ዝነበረ ዘተ ክስረዝ እንከሎ፡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ምምላስ፡ ለውጢ ክሊማን ምጽራይ ኣህጉራዊ ገበናትን ዝምልከት ምትሕብባር ደው ክብል ምዃኑ ገሊጹ። ክልቲአን ሓያላት ሃገራት፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ክሊማ ንምምካት ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ይገብራ ምንባረን ይዝከር። ኣብ መወደእታ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ግላስኮ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ክሊማ፡ ቻይና ልቀት ትኪ ንምንካይ ብቕልጡፍ ምስ ኣሜሪካ  ክትሰርሕ ምዃና ቃል ኣትያ ነይራ። እተን ሃገራት፡ ከም ፈንታኒልዝ ኣመሰሉ ንግዲ ዕጸ ፋርስ ንምምካት፡ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ እውን ሳሕቲ ዝረአ ሓባራዊ ምኽንያት ረኺበን እየን። እቲ ምትሕግጋዝ ደው ናይ ምባል ውሳነ፡ ወ\/ሮ ፔሎሲ \"ንሓያል ተቓውሞ ቻይና ዕሽሽ ኢላ\" ናብ ታይዋን ስለዝበጽሐት ዓጸፋዊ ምላሽ ምዃኑ ሚኒስትሪ ቻይና ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። ልኡኽ ኣሜሪካን ሚስ ፔሎሲን - ድሕሪ 25 ዓመታት ናብታ ደሴት ዝተጓዕዙ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎም ፖለቲከኛታት ኣመሪካ ምዃኖም ብምጥቃስ፡ “ቅሉዕ ትንኮያታት” ክብል ኮኒንዎ። ወሃቢት ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ ሁዋ ቹንዪንግ፡ ብዓርቢ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሐቶ መልእኽቲ፡ ንፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ምስቲ ኣብ 2020 ዓ.ም. ጆርግ ፍሎይድ ዝቐተለ ፖሊስ ኣነጻጺራቶ። \"ኣሜሪካ ንነብሳ ከም 'ፖሊስ ዓለም' ጌራ ክትወስዳን ንኻልኦት ሃገራት፡ ከም ጆርጅ ፍሎይድ፡  ከም ድላያ ክትደፍአንን ክትሓንቐንን ክንፈቅድ ኣይንኽእልን ኢና\" ኢላ። ጸሓፊት ፕረስ ዋይት ሃውስ፡ ካሪን ዣን ፒየር ብወገና፡ ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሚስ ፔሎሲ ናብ ታይዋን ክትከይድ \"ኩሉ መሰል ከም ዘለዋ\" ብምግላጽ፡ ቻይና ዝወሰደቶ ሓድሽ ስጉምትታት “ሓላፍነት ዝጎደሎ” ምዃኑ ገሊጻ። \"ረብሓታትናን ክብርታትናን እናተኸላኸልና፡ ምስ ቤጂንግ ክፉት መስመራት ርክብ ንኽህልወና እንገብሮ ጻዕሪ ክንቅጽሎ ኢና\" ኢላ። ኣመሪካ ንታይዋን ብወግዒ ኣፍልጦ እኳ እንተዘይሃበት፡ ምስታ ደሴት ግን ድልዱል ዝምድና ኣለዋ - እዚ ድማ ታይዋን ንነብሳ ንምክልኻል ኣጽዋር ምሻጥ ዘጠቓልል እዩ። ሚስ ፔሎሲ ኣብዚ እዋን ኣብ ናይ መወዳእታ ዑደታ ኤስያ፡ ኣብ ጃፓን ዘለ ኣኰይና፡ ቻይና \"ንታይዋን ካብ ዓለም ነጺላ ናብኡ ገጽና ከይንገይሽ ክትክልክለና ኣይትኽእልን\" ክትብል ተዛሪባ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ታይዋን ጆሴፍ ዉ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዑደት \"ምስሊ ታይዋን ሓፍ ዘብልን.. ማሕበረሰብ ዓለም ታይዋን ዲሞክራስያዊት ሃገር ምዃና ንኽርዳእ ዘኽእልን እዩ\" ኢሉ ተኸላኺሉ። ብተወሳኺ ቻይና ዑደት ወ\/ሮ ፔሎሲ ስዒቡ፡ ብሓሙስ ኣብ ዙርያ እታ ደሴት ዝጀመረቶ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ልምምድ ኮኒኑ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ቤጂንግ ኣብ ከባቢ እታ ደሴት ኣብ ኣየርን ባሕርን ወትሃደራዊ ልምምድ ተካይድ ከምዘላን እዚ ድማ ክሳብ ሰንበት ክቕፅል ትፅቢት ይግበር።\\n\\nኣብቲ ወተሃደራዊ ልምምድ፡ ልዕሊ 100 ነፈርቲ ውግእን 10 መራኽብ ውግእን ተሳቲፈን ኣለዋ፡ ገለ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ቻይናን ታይዋንን ዘሎ ዘይወግዓዊ መፍለዪ ዶብ ዝሰገራ ይመስላ።\\n\\nብውሕዱ ሓደ ባሊስቲክ ሚሳይል፡ ብቐጥታ ኣብ ልዕሊ እታ ደሴት ከምዝተተኮሰ፡ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ቻይና ሓቢረን።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cjl5xlwe10jo"} {"headline":"ሰሜን ኮርያ ስለምንታይ'ያ ናብ ጃፓን ሚሳይል ትውንጭፍ ዘላ?","content":"ኣሜሪካ፣ ጃፓንን ደቡብ ኮርያን ናይ ሓይሊ ባሕሪ ሓበራዊ ልምምድ ምክያደን ስዒቡ ሰሜን ኮርያ ናብ ጃፓን ሚሳይል ኣወንጪፋ። ብተግባር ሰሜን ኮርያ ዘይተሓጎሳ ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ድማ ነፈርቲ ውግእ ሰዲደን ኣብ ገምገም ደቡብ ኮርያ ነተጉቲ ተኵሰን።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3gx665yzqjo"} {"headline":"ቀዳማይ ሚኒስትር ጃፓን ነበር ሺንዞ ኣቤ ብጥይት ተሃሪሙ","content":"ቀዳማይ ሚኒስትር ጃፓን ነበር ሺንዞ ኣቤ፡ ናራ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ይካየድ ኣብ ዝነበረ ጐስጓስ ምርጫ ብጥይት ተሃሪሙ ወዲቑ። ኣቤ፡ ክልተ ግዜ ክትኮሰሉ እንከሎ፡ ኣብታ ካልኣይቲ ጥይት ብድሕሪኡ ስለ ዝተሃርመ ናብ መሬት ወዲቑ። ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ጸብጻባት ይገልጹ ኣለው። ኣመሓዳሪ ቶክዮ ዝነበረ ጆቺ ማሱዞ፡ ጥዕናዊ ኵነታት ኣቤ ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጽሓፎ፡ ልቡ ካብ ንቡር ስርሓ ተዳኺማ ምህላዋ ሓቢሩ። እዚ፡ ኣብ ጃፓን ሞት ብወግዒ ቅድሚ ምንጋሩ ዝዝውተር ኣገላልጻ እዩ። ክሳብ ሕጂ ዘይተረጋገጹ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝልጠፉ ዘለው ምስልታት ድማ፡ ሰብ ሞያ ሕክምና ኣብ ማእከል ጽርግያ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ክሕክሙ ክጓየዩ የርእዩ። ቀልጢፉ ናብ ሕክምና ከም ዝተወስደ ድማ ተሓቢሩ። ኣቤ፡ ንሓደ ኣብ ናራ ዝወዳደር ሕጹይ ናይ ድጋፍ ዘረባ እናስመዐ እንከሎ ከም ዝተሃርመ መሰኻኽር ዓይኒ ተዛሪቦም። እታ ቀዳመይቲ ጥይት ክትስሕቶ እንከላ፡ እታ ኻልኣይቲ ብሑቕኡ ሃሪማቶ እናደመየ ናብ መሬት ወዲቑ። ሓይልታት ጸጥታ ድማ፡ ነቲ ነዚ መጥቃዕቲ ምስ ፈጸመ ንምህዳም ዝዀነ ዓይነት ምንቅስቓስ ዘይገበረ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ኣእትዮም። ጋዜጣ እታ ሃገር ኤንኤችኬይ፡ ፖሊስ ነቲ ብረት’ውን ከም ዝሓዝዎ ገሊጻ። ኣቤ፡ ኣብ ጃፓን ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ቀዳማይ ሚኒስትር ኰይኑ፡ ብ2020 ጥዕናዊ ጉዳያት ምኽንያት ብምግባር ካብ ስልጣን ከም ዝወረደ ይዝከር። ድሕሪኡ፡ ‘ኣልሰራቲቭ ኰሊቲስ’ [ulcerative colitis] ብዝተባህለ ሕማም መዓናጡ ከም ዝተጠቕዐ ገሊጹ። ኣብቲ ግዜ፡ እቲ ብፉሚዮ ኪሺዳ ዝተተክአ፡ ናይ ቀረባ ብጻዩ ዝነበረ ዮሽሂሂዴ ሱጋ ተተኪኡ ነይሩ። ኣብ ጃፓን፡ ዋንነት ብረት ፍቑድ ስለ ዘይኰነ፡ ብብረት መጥቃዕቲ ክፍጸም ሳሕቲ ዘጋጥም ተርእዮ እዩ። ተጓንፎታት ፖለቲካዊ ግጭት'ውን ብዙሕ ኣይስማዕን። ኣብ 2014፡ ኣብ ኣመሪካ ምስ ዘጋጠመ ሞት 33,599 ብምንጽጻር ኣብ ጃፓን ብብረት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሞት ሽዱሽተ ሰባት ጥራይ’ዩ ኣጋጢሙ። ኣብታ ሃገር፡ ብረት ዝዕድግ ሰብ ኣዝዩ ጽንኩር ፈተናን መርመራ ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ክሓልፍ ይግደድ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crg0pgkrmgmo"} {"headline":"ከም ፎጣ ተጠቕሊሉ ብነፋሪት ካብ ጃፓን ዘምለጠ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኒሳን","content":"ቢቢሲ ንሚስተር ካርሎስ ጎሰን ሓቲትዎ፤ ከም ኣቕሓ ኣብ ሳንዱቕ ተዓሺግኻ ምኻድ ኣይጨንቕን። ካርሎስ መሊሱ። \"ኣብ ህይወተይ እቲ ዝነውሐ ግዘ መዓስ ምዃኑ ትፈልጥ? ኣብ ሳንዱቕ ተዓሺገ ናብ ውሺጢ ነፋሪት ድሕሪ ምእታወይ እዩ። እታ ነፋሪት ክሳብ ትለዓል ዝነበራ 30 ደቓይቕ ኣብ ህይወተይ እቲ ዝነወሐን ዘሻቕልን ግዘ እዩ። ኣብ ህይወተይ ከምዚ ዝበለ ነዊሕ ሰዓት ኣሕሊፈ ኣይፈልጥን\" ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2019 ፍርቂ ለይቲ ቅድሚ ምብፅሑ እዩ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኒሳን፡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሳንዱቕ ይዕሸግ ኔሩ። እቲ ሳንዱቕ ኣብ ውሽጢ ካርጎ ዝፀዓን እዩ። ብፕላስተር ከረው ኢሉ ተኣሰረ። መብዛሕትኡ ግዘ እዚ ፀቢብ ሳንዱቕ መሳርሕታት ሙዚቃ ተፃዒኖም ዝውሰድሉ እዩ። እዚ ሰብኣይ ብኸመይ ኣብዛ ፀባብ ሳንዱቕ ኩርምይ ኢሉ ክኣትው ከምዝኸኣለ፡ እንድዒ። እታ ነፋሪት ካብ ጃፓን ቶክዮ ቁሩብ ውፅእ ኢሉ ካብ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ፡ ሰዓት 5፡00 ናይ ምሸት እያ ትለዓል። ኣብ ጃፓን ንካርሎስ ኩሉ እዩ ዝፈልጦ። ምናልባት ካብ ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ቀፂሉ ዝፍለጥ ገፅ እንተሃለወ፡ ናህቱ እዩ። ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኒሳን እዩ። ናይ ኒሳን ጥራሕ ኣይኮነን፡ ናይ ፈረንሳይ ፋብሪካ መኪና ዝኾነ ሬኖ'ውን ኣካያዲ ስራሕ ኔሩ። ንሱ ከምዝብሎ፡ ብሽርሒ ፖለቲካ ማእሰርቲ ተፈሪድዎ። ዓመታዊ መሃያኻ ሓቢእኻ ብዝብል ኣብ ቀይዲ ውዒሉ። ኣብዚ እዋን ጥምረት ኒሳን፣ ሬኖን ሚስቲቡሺን ናይ ዝኾነ ትካል መኻይን ኣካያዲ ስራሕ ኔሩ። ንሱ፡ መንግስቲ ጃፓን ብሽርሒ ፖለቲካ ክኣስረኒ ደልዩ ይብል። ነዚ ድማ እዩ፡ ካብታ ሃገር ዘምልጥ ዘሎ። ሚስተር ካርሎስ ወፃኢ ብምንካይ፡ ንመኪና ኒሳን ኣትራፋይ ጌርዎ እዩ። ፈረንሳዊ ፋብሪካ መኪና ሬኖ፡ 45 ሚእታዊት ብፅሒት ኒሳን ክወስድ ኣኽኢሉ ኔሩ። ሕዚ'ውን ሬኖ፡ ፍርቂ ብፅሒት ኒሳን ምስሓዘ እዩ። ዝኾነ ኾይኑ ሚስተር ካርሎስ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ካብ ምብስባስ ክሃድም ደልዩ። ብዜግነት ሊባኖሳዊ እዩ፤ ክሃድም ደልዩ ዘሎ'ውን ናብ ሊባኖስ እዩ። ኣብ ሃገረ ጃፓን ኣዝዩ ዝተኸበረን ስሙይ ስም ዘለዎን ሚስተር ካርሎስ፡ ኣብ ሓንቲ ሳንዱቕ ውሽጢ ተጠቕሊሉ ኣትዩ ከምልጥ ኢሉ ዝሓሰበ መን ኔሩ? ሓቂ እዩ፡ ቅድሚ እዚ ንሓደ ዓመት ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩርን ብስሩዕ ማእሰርትን መከራ ርእዩ እዩ። እንተኾነ እዚ ልዑል ክብሪ ዝተጎናፀፈ ሰብ፡ ኣብ ሳንዱቕ ተዓሺጉ ክወፅእ ኢሉ፡ መን ሓሲብዎ? ንሓደ ዓመት ዝተኣሰረ ሚስተር ካርሎስ፡ መዝገብ ክሱ ኣይተዓፀወን፤ ብዋሕስ እዩ ካብ ማእሰርቲ ወፂኡ። ከይዲ መዝገብ ክሱ ንዓመታት ክናዋሕ ይኽእል እዩ። እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ኣፍሪሕዎ። ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ፡ ን 15 ዓመታት ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ክለምስ እዩ። ኣብ ጃፓን ድማ ዝኾነ ተጠርጣሪ ገበነኛ ናይ ምብሃል ዕድሉ 99.4 ሚእታዊት እዩ። ስለዚ ዝኾነ ድማ ካርሎስ ወሲኑ። 15 ዓመት ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ካብ ዝብስብስ፡ ንምንታይ 15 ሰዓታት ናይ ሞትን ሕውየትን ኣይገብርን ኢሉ ቆሪፁ። ግና 15 ሰዓታት ዝወስድ'ውን ኣይነበረን። ካብ ጃፓን ቶክዮ ክሳብ ሊባኖስ ናይ ክንደይ ሰዓት በረራ እዩ? እቲ ዘሻቕል ነገር እኮ እቲ ጉዕዞ (በረራ) ኣይኮነን ይብል፡ ካርሎስ። እቲ ዘሻቕል፡ ቅድሚ እቲ በረራ ነፋሪት ዘሎ ተፍትሽ እዩ። እቲ ዘጨንቕን ካብ 15 ዓመታት ህይወት ማእሰርቲ ዘይንእስ ዘሎ ራዕዲ፡ እታ ነፋሪት ክሳብ ትለዓል ዘሎ ግዘ እዩ። ጎይታ መኻይን፡ ኣቦ ኒሳን ፡ ናይ ካርሎስ መወዳእታ ሰዓት እቲ ስሙይ ካርሎስ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር እንከሎ ምስ ዝፈትዋ በዓልቲ እንድኡ ክራኽብ ከምዘይኽእል ተነጊርዎ። ኣብዚ ግዘ እዩ እምበኣር፡ ብትኽክል ሓደ ጅግንነት ክፍፅም ከምዘለዎ ንባዕሉ ዘእመነ ። እዚ መከረኛ ገፀይ እዩ፡ ፀገም ኮይኑኒ እዩ ዝብል ካርሎስ። ናይ ካርሎስ ጎሰን ገፅ ፍሉጥ እዩ። ዝኾነ ይኹን ጃፓናዊ እዩ ዝፈልዮ። ስሙይ ምዃን እዚ እዩ ፀገሙ። እሞ ድኣ ነዚ ስሙይ ገፅ ሒዝካ ከመይ ሾሊኽካ ምምላጥ ይከኣል? \"ከምልጥ እንተደልየ ኣብ ውሽጢ ባልጃ ክቑለፍ እግባእ። ወይ ድማ ባልጃ ኣብ ዝመስል ሳንዱቕ ውሽጢ። ካልች ኣማራፂ ኣይነበረን\"፡ ባልጃ ወይስ ሳንዱቕ እናበለ ከማርፅ ጀሚሩ። ሳንዱቕ ወይስ ሳንጣ፡ ሳንጣ ወይስ ሳንዱቕ? \"ምኽንያቱ፡ እቲ እዋን ኣብ ጃፓን ብዙሓት ምርኢታት ሙዚቃ ዝካየድሉ ግዘ እዩ ኔሩ። ብዙሓት ድምፃውያን ጊታሮም፣ ከበርኦምን ካልእን ዘቐምጥሉ ሳንዱቕ ኣሎ። እዚ ሳንዱቕ ንዓይ ጠቕሊሉ ከእቱ ዝኽእል እዩ። ንሱ ዝሐሸ ኮይኑ ተሰሚዑኒ\" ይብል ካርሎስ። ቀፂሉ ዝመፀ ፈተና ድማ፡ ኣብ ናይ ገዛ መሓዩር ዝነበረ ሰብ ክሳብ መዕርፎ ነፈርቲ ብኸመይ ተሓቢኡ ምምላጥ ይኽእል ዝብል እዩ። ሚስተር ካርሎስ፡ ዕድመ ልክዑ ብኽቡር ሱፍ እዩ ከብረቕርቕ ነቢሩ። ቀዳማይ፡ ሃፍታም እዩ፤ ካልኣይ ድማ ስሙይ እዩ። ኣይኮነን ኣብ ጃፓን ኣብ ካልእ ዓለም'ውን ዝኾነ እዩ ዝፈልጦ። ስለዚ ክቕየር ግድን ኔሩ። ተራ ጅንስን ካናቲራን ተኸደነ። ልባስ ክዳን ካብ ዝሽየጠሉ ዕዳጋ፡ ጅንስን ካናቲራን ዓዲጉ ተኸደነ እሞ፡ ነቲ ዘይድፈር፡ ደፈረ። ብድሕሪኡ፡ እቲ ዋና ተወሳኦ ተጀመረ። ካብ መንበሪኡ ቶክዮ ተበጊሱ፡ ከም ንፋስ ብዝሕንበብ ባቡር፡ ናብ ሶሳካ ኸደ። ኣብ ኦሳካ መዕርፎ ነፈረቲ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ'ውን ሓንቲ ናይ ውልቀ ነፋሪት ትፅበዮ ኣላ። ናብታ ነፋሪት ቅድሚ ምእታዉ ግና፡ ናብ ሓደ ኣብ ቀረባ ርሕቐት ዝርከብ ሆቴል ክኸድ ኣለዎ። ኣብቲ ሆቴል እዩ፡ ናህቱ ሳንጣ (ባልጃ) ዘሎ። ኣብኡ እዩ ናህቱ ሳንዱቕ ዘሎ። ክዳን ዝሕዘሎ ግን ኣይኮነን። ሚስተር ካርሎስ ዝኣትወሉ ሳንጣ እምበር። \"ሓንሳእ ናብቲ ሳንጣ ተኾርሚኻ ምስ ኣተኻ፡ ብዛዕባ ዝሓለፈን መፃእን ምሕሳብ ደው ተብል ኢኻ። ስለ እታ ፃት ንሳ ጥራሕ ኢኻ ትሓስብ\" ኢሉ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል። ሚስተር ካርሎስ ናብቲ ሆቴል ክኣቱ'ምበር ክወፅእ ኣይተርኣየን። ንሱ ካብ ዝኣተወሉ ሆቴል፡ ካልኦት ክልተ ሰባት (ኣቦን ወድን)` ሳንጣን ካልእ ናይ ሙዚቃ መሳርሕን ተሸኪሞም ክወፅኡ ግና ተራእዮም። እዞም ኣቦን ወድን ማይክልን ቴለርን ይበሃሉ። ድምፃውያን ኢና ኢሎም እዮም፡ ናብታ ነፋሪት ክስቀሉ። ስሙያት ድምፃውያን ኢና ኢሎም እዮም፡ ናይ ውልቀ ነፋሪት (ጄት) ከብርሩ። \"ብጠቕላላ፡ ንኣስታት ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ኣብ ውሽጢ ሳንዱቕ ከምዝፀናሕኩ እየ ዝግምት። እንተኾነ ንሓደ ዓመትን ፈረቓን ዝፀናሕኩ እዩ መሲሉኒ\" ይብል ካርሎስ። ዝኾነ ኮይኑ፡ እታ ናይ ውልቀ ነፋሪት (ጄት) ኣብ ሰዓታ ተበጊሳ ክትበርር ተፈቒዱላ። ሙሉእ ለይቲ በሪራ፤ ፈለማ ኣብ ቱርኪ ዓሪፋ። ብድሕሪኡ፡ እቲ ሳንዱቕ ብኻልእ ነፋሪት ናብ ሊባኖስ በሪሩ። ንርእሶም ከም ድምፃውያን ኣምሲሎም፡ ንሚስተር ካርሎስ ከም ፎጣ ብሳንዱቕ ጠቕሊሎም ብውልቀ ነፋሪት ከምልጥ ዝገበሩ ኣቦን ወድን ማይክል ቴይለርን ወዱ ፒተር ቴይለርን፡ ብሃገሮም ኣሜሪካ ንጃፓን ተመሓላሊፎም ተዋሂቦም። ገበነኛታት ኮይኖም ስለዝተረኸቡ ድማ፡ ማእሰርቲ ሰለስተ ዓመት ይፅበዮም። ጎይታ ኒሳን፣ ሬኖን ሚስቲቡሺን ካርሎስ ግና፡ ኣብ ትውልዲ ሃገሩ ሊባኖስ ተኸቢሩ፡ ናብርኡ ቀፂሉ ኣሎ። እታ ከም ፎጣ ተጠቕሊላ ዝመፀላን፡ ህይወቱ ዘድሓነትን ሳንዱቕ'ከ ኣበይ ትህሉ?","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57843174"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ጃፓን ኣብ ውሽጢ ክታበት ሞዴርና ጸሊም ዝሕብሮም ቁርጽራጽ ነገራት ረኺበ ኢላ","content":"ጃፓን ሞዴርና ኣብ ዝተባህለ ዓይነት ክታበት ኮቪድ-19፡ ጸሊም ሕብሪ ዘለዎም ደቀቕቲ ባዕዲ ነገራት ምርካባ ኣፍሊጣ። ሓደ ፋርማሲስተ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ብልቃጥ ክታበት ኮሮናቫይረስ ብርክት ዝበለ ጸሊም ባዕዲ ነገራት ከም ዝረኸበ ሰበስልጣን እታ ሃገር ሓቢሮም። ብዙሓት ሰባት ድማ ምስቲ ቁርጽራጽ ነገራት ዝተረኸቦ ብልቃጥ ተጠሚሮም ካብ ዝመጽኡ ካልኦት ብልቃጣት ከም ዝተኸተቡ ተፈሊጡ። ኣብዚ እዋን ከኣ እቲ ጥምሮ (‘ባች’) ንሰባት ካብ ምኽታብ ክቋረጽ ተገይሩ’ሎ። እታ ሃገር ቅድም ክብል’ውን ኣስታት 1.63 ሚልዮን ክታበት ሞዴርና ተበኪሉ ብዝብል ድሕሪ ምእጋዳ’ዩ እዚ ናይ ኩነታት ኣጋጢሙ ዘሎ። እቲ ፋርማሲስት ኣብ ውሽጢ እቲ ክታበት ባዕዲ ነገራት ከይህልው የረጋግጽ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ነቶም ጸለምቲ ደቀቕቲ ነገራት ክረክብ ከም ዝኸኣለ ድማ ተገሊጹ። ማዕኸናት ዜና ጃፓን ከም ዝበልኦ ብሰንኪ እቶም ብኽለት ዘጋጠሞም ዝተባህሉ ክታበታት ዛጊድ ዝተረኣየ ሓደጋ ጥዕና የለን። ኣብታ ሃገር ክታበታት ዘቕርብ ታኬዳ ዝተባህለ ኣከፋፋሊ መድሓኒታትን ናውቲ ሕክምናን እቶም ባዕዲ ነገራት ተረኺቦም ምስ ተባሃለ ሰለስተ ጥምሮታት ክታበት ሞዴርና ናብ ዕዳጋ ካብ ምቕራብ ገቲኡ’ሎ። ነቶም ክታበታት ዝዕሽግ ሮቪ ዝተባህለ ስፔናዊ ትካል መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ፡ እቲ ጸገም ኣብ ስፔን ኣብ መስርሕ ምፍራይ ዘጋጠመ ክኸውን ከም ዝኽእል ሓቢሩ። ምጽራይ ከካይድ ምጅማሩ’ውን ወሲኹ ገሊጹ። ውድድራት ፓራለምፒክ ተአንግድ ዘላ ጃፓን ኣዝዩ ይውስኽ ምስ ዘሎ ምልባዕ ኮቪድ ኣብ ምቅላስ ትርከብ። ዛጊድ ልዕሊ 40 ሚኢታዊት ካብ ህዝባ ምሉእ ክታበት [ክልተ ዙር] ዝወሰደ ኮይኑ፡ 50 ሚኢታዊት ድማ ገና ነቲ ቀዳማይ ዙር ክታበት ጥራሕ ወሲዱ’ሎ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58406053"} {"headline":"በርሊን ማራቶን፡ ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ኣብቲ ሰንበት ዝኻየድ ውድድር ማራቶን ክሳተፍ'ዩ","content":"ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ኣብ በርሊን ኣብ ዝካየድ ውድድር ማራቶም ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ በርሊን ማራቶን ዝፈጸምኩዎ ጌጋ ኣይደግምን ኢሉ። እቲ ኣትሌት ብ2019 ዓ.ም ኣብ ጀርመን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ክብረ ወሰን ዓለም ንምምሕያሽ ክልተ ካልኢታት ምስ ተረፎ ኣብቲ ውድድር ከም ዝተዓወተ ይዝከር። \"ቅድሚ እቲ ውድድር ነቲ ክብረወሰን ንምምሕያሽ ኣይተዳለኹን ነይረ፤ እንተዝዳሎ ነይረ ነቲ ክብረወሰን ምሰበርክዎ ነይረ\" ክብል ኣብ ኢንስተግራም ኣብ ዝፈነዎ ቪድዮ ተዛሪቡ። ቀነኒሳ ኣብቲ ናይ 2019 ውድድር ማራቶን ክልተ ካልኢት ጥራይ ተሪፈንኦ እናሃለዋ ነቲ ክብረወሰን ዘይምምሕያሹ \"ወትሩ'ዩ ዘሰንብደኒ\" ክብል እንከሎ ኣብዚ ሰንበት ዝካየድ ውድድር ብኬንያዊ ኣትሌት ሌሊዩድ ኪፕቾጌ ዝተታሕዘ ክብረወሰን ንምምሕያሽ መደብ ኣለኒ ኢሉ። ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ካብ ዝመርጾም ውድድራት ሓደ በርሊን ማራቶን ከም ዝኾነ ይገልጽ። \"ብዙሕ ሰብ ዝሳተፈሉ'ዩ፤ ጽቡቕ ኩነታት ኣየር'ውን ኣለዎ። እቲ ከተማ ጽሩይ ስለ ዝኾነ ይፈትዎ'የ\" ኢሉ። ኣብ ከተማታት በርሊን፣ ለንደን፣ ቦስተንን ኒውዮርክን ዓብዩ ትጽቢት ዝወሃቦም ውድድራት ማራቶን ይዳለው'ዮም። በርሊን ማራቶን ድማ ብዝተፈለየ መልክዑ ብዙሕ ግዜ ክብረወሰናት ዝመሓየሸሉ መድረኽ'ዩ። ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝካየድ ውድድር ዘይሳተፍ ኤሊዩድ ኪፕቾጌ ኣብ 2018 ኣብ ዝነበረ ውድድር ብ2፡01፡39 እቲ ናይ ዓለም ክብረወሰን ክሕዝ ክኢሉ። ቀነኒሳ ድማ ኣብቲ ኣብ 2019 ዝተኻየደ ውድድር ብ2፡01፡41 እዩ ወድድሩ ዛዚሙ። ኣብዚ ውድድር ትጽቢት ዝግበረሎም ካልኦት ኣትሌታት ካብ ኣትሌት ቀነኒሳ ብተወሳኺ ብዙሓት ትጽቢት ዝግበረሎም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ክሳተፉ'ዮም'። ኣብ 2017 ካልኣይ ዝወጽአ ጉዬ ኣዶላ፣ ወዲ 22 ዓመት ኦሊቃ ኣዱኛ ኣብዚ ወድድር ክሳተፉ ትጽቢት ይግበረሎም። ኦሊቃ ብ2020 ኣብ ዱባይ ማራቶን ተዓዊቱ ነይሩ። ኣብ 2021 ኣብ ጃፓን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሌክ ቢዋ ማራቶን ዝተዓወተ ጃፓናዊ ሂዴካዙ ሂጂካታ'ውን ካልእ ትጽቢት ዝግበረሉ ተወዳዳሪ ኮይኑ፡ እቲ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ውድድር ሰንበት ንጉሆ ክካየድ'ዩ። ብናይ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያዊት ህይወት ገብረኪዳን፣ ሻምፒዮና ኮፐንሃገንን ሊዝበንን 2015 ኬንያዊት ፒዩሪቲ ሪኦኖሪፓ ካልኦት ትጽቢት ዝተገብረለን ተወዳደርቲ'የን።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58674776"} {"headline":"ቶዮታ፡ ብሰንኪ ሓደጋ ተኣጊደን ዝጸንሓ መራሒ ዘይብለን መካይን ዳግም ስራሕ ጀሚረን","content":"ኣብ ቶኪዮ ኣብ ሓደ ጸወታታት ፓራለምፒክ ዝካየደሉ መንደር ኣብ ኣገልግሎት ውዒለን ዝነበራ ፍርያት ቶዮታ ዝኾና መራሒ ዘይብለን ተሽከርከርቲ ዳግም ስራሕ ክጅምራ ተፈቒዱለን። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓንቲ ካብዚአን ዝኾነት መኪና ንሓደ ዓይነ ስውር ተወዳዳሪ ምስ ሃረመት እተን ተሽከርከርቲ ተኣጊደን ጸኒሐን። እቲ ተወዳዳሪ ዝበጽሖ ጉድኣት ከቢድ'ኳ እንተዘይኮነ ብሰንኪ'ቲ መጉዳእቲ ግን ኣብቲ ውድድር ክሳተፍ ኣይክኣለን። እተን ተሽከርከርቲ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት ጉድኣት ከየብጽሓ ብዝብል ድማ ተወሳኺ ቑጽጽር ዝገብሩ ሰራሕተኛታት ተመዲቡለን ኣሎ። ተሳታፊ ፓራለምፒክ ዝኾነ ኣባል ጉጅለ ጁዶ ጃፓን ኣራሚቱ ኪታዛኖ ብሓሙስ ብናይ እግረኛ መቋረጺ መገዲ [ዜብራ] ኣብ ዝሓልፈሉ ዝነበረ ኣጋጣሚ'ዩ ብመኪና ተገጭዩ። በዚ ምኽንያት ካብቲ ዝወዳደረሉ ዝነበረ ናይ 81 ኪሎ ግራም ውድድር ከይተሳተፈ ተሪፉ። ትማሊ ቶዮታ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ \"እቲ መኪና ንነገራት ዝፈልየሉ ኣካል [ሴንሰር] ናይቲ ኣጋር መሳገሪ ብምርዳእ ነቲ ኣውቶሜቲክ ፍሬን እንተንቀሳቐሶን ኣብ ውሽጢ ዝነበረ ኦፕሬተር ናይ ሓደጋ እዋን ነቲ ፍሬን እንተተጻዕኖን እቲ መኪና ሙሉእ ንሙሉእ ቅድሚ ጠጠው ምባሉ ነቲ ኣጋር ኣርኪቡዎ\" ኢሉ። እቲ ኩባኒያ ድሕነት ኣጋር ተጉዓዝቲ ንምሕላው ልዕሊ ሓደ በዓል ሞያ ድሕነት ዝተመደበ ኮይኑ እቲ ተሽከርካሪ ዝጉዓዘሉ ፍጥነት በቲ ኦፕሬተር ክውሰን ተገይሩ'ዩ ክብል'ውን ሓቢሩ። እዚ ተጉዓዝቲ ንምንቃሕ ዝሕግዝ ልዑል ድምጺ ዘካተተ'ዩ ተባሂሉ። ኣብቲ ውድድር ፓራሎምፒክ ዝካየደሉ መንደር፡ ሰብ ኣብ ዝበዝሖም መቋረጺ መገዲታት ዘለው መምርሒታት ኣጋር ካብ ሽዱሽተ ናብ 20 ሓፍ ከም ዝብሉ ክግለጽ እንከሎ፡ \"መዓልታዊ ኣገልግሎትና ክሳብ እንውድእ ምምሕያሻት ድሕነት ክንገርብ ኢና\" ክብል ቶዮታ ኣፍሊጡ። እቲ መራሒ ዘይብሉ መኪና ሓደጋ ምስ ኣብጽሐ ፈጻሚ ስራሕ ቶዮታ ኣኪዮ ቶዮዳ ኣብ ኣደባባይ ይቕሬታ ሓቲቱ እዩ። እዘን ሙሉእ ንሙሉእ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ተሳተፍቲ ኦሎምፒክን ፓራሎምፒክን ናብቲ ናይ ውድድር ቦታ ብፍጥነት ንክበጽሑ እየን ናብ ስራሕ ክኣትዋ ተገይሩ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58391209"} {"headline":"ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ፡ በሰላታት ምኻድ ጥንሲ","content":"ካብ ሞንጎ ሓሙሽተ ጥንሲ እቲ ሓደ ሓደጋ ምኻድ ከጋጥሞ ከም ዝኽእል ይግለፅ። እዚ ድማ ከቢድ ፈተና ህይወት ከም ዝኾነ በዚ መገዲ ዝሓለፋ ኣደታት ይዛረባ። ገለ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ዝነብራ ኣዴታት ነቲ ዘጋጠመን ምውራድ ጥንሲ ኣመልኪተን ዛንተአን ከም ዝስዕብ የካፍላ። ሚልካ ዋማዲ - ዕድመ 37 - ካብ ማላዊ ናይ መጀመርታ ውላደይ፡ ናይ ሓሙሽተ ወርሒ ነፍሰ ጾር እንከለኹ ስኢነዮ። ሃንደበት ብሞንጎ ኣእጋረይ ማይ ከም ዝፈሰኒ ተሰሚዑኒ። ሽዑ ናብ ሆስፒታል ከይደ፤ ጥንስኺ ወሪዱ ኢሎምኒ። ኣብ ኣካላተይ እንታይ ይፍጠር ከም ዘሎ ኣይፈልጥን ነይረ። ነቲ ዝሞተ ቆልዓ ክወልዶ ከም ዘለኒ’ውን ኣይተገንዘብኩን። ኣብ ክፍሊ ክትትል ሕሙማት እቲ ሆስፒታል ንበይነይ ገዲፎምኒ፤ ኣዝዩ ዘሰንብድ ኩነታት ነይሩ። ልክዕ ከም ሕማም ሕርሲ ክስምዓኒ ጀሚሩ፤ እንታይ ክገብር ከምዘለኒ ግን ኣይፈልጥን። ኣብ ፊልምታት ጥራይ፡ ብሕርሲ ዝተትሓዛ ኣዴታት ካብ ላዕሊ ክደፍኣ ከም ዘለወን ይርኢ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣነ’ውን ከምኡ ገበርኩ። እቲ ቓንዛ ዝከኣል ኣይነበረን። ዝኾነ ነገር ደፊኡ ክወጽእ ተሰምዓኒ፤ ውላደይ። እንታይ ክገብር ከም ዘለኒ ግና ኣይፈልጥን። ኣብቲ ክፍሊ ሕክምና ንበይነይ እየ ዘለኹ። እዚ፡ ዘስዓቦ ስነልቦናዊ በሰላ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ። ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብና ብዛዕባ ምውራድ ጥንሲ ክትዛረብ ኣይትኽእልን። ከም ነውሪ እዩ ዝቑፀር። መብዛሕቲኡ እዋን እቲ ቆልዓ ክውለድ ብዘይምኽኣሉ እትንቀፍ እታ ጓል ኣንስተይቲ እያ። ኣብ እዋን ጥንሲ ዝህሉ ጥዕናዊ ሳዕቤናት ብዙሓት ሰባት ኣይግንዘብዎን። ኣብቲ እዋን ፅቡቕ ስምዒት ከይስምዓኒ ዝገበረ ኣጋጣሚ ነይሩ። ብዛዕባ ጥንሲ ብግልፂ ክንዘራረብ ከም ዝግብአና እሓስብ። እንተዘይኮይኑ ግን ተነጽሎ’ዩ ዝስምዓካ፤ ክትሓውይ’ውን ኣይትኽእልን። በዚ ኩነታት፡ ሰለስተ ቈልዑ ስኢነ ኣለኹ፤ ካልኦት ሰለስተ ቆልዑት ግን ኣለዉኒ። ብድሕሪ ምውራድ ጥንሲ’ውን ተስፋ ኣሎ’ዩ። ዶክተር ማኪ ካጋሚ - ዕድመ 50 - ቶኪዮ ጃፓን ሓሙሽተ ጊዜ ምውራድ ጥንሲ ኣጋጢሙኒ’ሎ። ኩሎም ከበድቲ'ኳ እንተነበሩ ብፍላይ ኣብቲ ሳልሳይ ግን ዝኸፍአ ነይሩ። ደም ክፈሰኒ ምስ ጀመረ ዝኾነ ዝተፈጠረ ፀገም ከም ዘሎ ተገንዚበ። ናብ ሓደ ውራይ ተዓዲምና ከይድና። ናብቲ ውራይ ዝመጽኡ ሰባት ብዛዕባ ፍቱዋት ደቆም ይዛረቡ ነይሮም። ኣነን በዓል ገዛይን እውን ናይ ግድን ቆልዓ ክህልወና ከም ዝግባእ ሓሰብኩ። ከቢድ ቃንዛ እናተሰምዓኒ ንኸምስል ፍሽኽ ይብል ነይረ። ፀኒሑ ኣብ ከባቢ ከብደይ ሓያል ቃንዛ ክስምዓኒ ጀሚሩ። ካብቲ ድግስ ቀልጢፈ ክወጽእ ከምዘለኒ ግን ኣይሓሰብኩን። ደሓር ድማ ናብ ገዛና ክንኸይድ ናብ መኪና ኣተኹ። ሽዑ ብኸቢድ ደም ክፈሰኒ ጀሚሩ። ናብ ገዛ ምስ በጻሕና ናብ ሽቓቕ ኣትየ። እቲ ገና ዘይጠንከረ ደቂ ክወጻእ ሪኤዮ። እቲ ቓንዛን ሓዘንን ዝርሳዕ ኣይኮነን፤ ኩልግዜ እዝክሮ። ኣብ ህይወተይ እቲ ዝሓሰመ እዋን ነይሩ። ዶክተር እየ። እቲ ምውራድ ጥንሲ ናተይ ጌጋ ከም ዘይኮነ'ኳ እንተፈልጥኩ ሎሚ’ውን ሕንከት ይስምዓኒ። ኣብ ጃፓን ሓደ እምነት ኣሎ። ወለዲ ዝኾንዎም ዝመርፁ ብዓልቶም እቶም ህጻናት’ዮም። ኣነ ፍፁም ምሉእ ዝኾነ ቆልዓ ክህልወኒ ስለ ዝደልይ፤ በዚ ምኽንያት ከኣ ቆልዑት ኣደ ክኾኖም ከም ዘይመርፁኒ ሓንቲ መሓዛይ ነገረትኒ። ስለዚ በቲ ዘጋጠመ ምውራድ ጥንሲ ንነብሰይ ተሓታቲ ገበርኩ። ቤተሰብ ግን ናይ ስራሕ ፃዕቒ ስለ ዘለኒ እቲ ምውራድ ብሰንኩ ዘጋጠመ ክኸውን ከም ዝኽእል’ዮም ዝሕብሩኒ። ሰባት ኣብ ጎኒ እታ ምውራድ ጥንሲ ዘጋጠማ ኣደ ክህልዉ እምዕድ። ዝተፈለየ ነገር ክትገብሩላ ዘይኮነስ ምስኣ ክትኾኑን ክትሰምዕዋን ጥራሕ። ቲዳ ሳማቴ - ዕድመ 27 - ኪነባ ካብ እትብሃል ቁሸት ጋምቢያ ደቂኣንስትዮ ኣብ ፈላሞት ግዚያት ጥንሲ ናብ ትካላት ጥዕና ከይደን ክትትልን ማዕዳን ክረኽባ ይግባእ። ኣብ ቁሸትና ግን ትካላት ጥዕና ብቐረባ ኣይርከብን። እዚ ክቕየር ኣለዎ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ንነዳዲ ዝኸውን ከቢድ ዕንጸይቲ ተሰኪመ ነበርኩ። ብዙሕ ከይፀንሐ ድማ ደም ክፈሰኒ ጀሚሩ። ከበድቲ ነገራት ናብ ምውራድ ጥንሲ ከቃልዑ ከም ዝኽእሉ ኣይፈልጥን ነይረ። ናብ ሓደ ኣብ ከባቢና ዝርከብ ሆስፒታል ተወሲደ፤ ግን ከኣ ኩሉ ነገር ደሓን ከም ዝኾነ ተሓቢሩኒ ናብ ገዛይ ተመለስኩ። ምሸት ነብሰይ እናተሓጸብኩ ግን ከቢድ ቃንዛ ክስምዓኒ ጀሚሩ። ኩሉ ነገር ከኣ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ ናብ መሬት ወጺኡ ዝርግፍ ይብል። እቲ ድቂ ናብ ሆስፒታል ክወስዶ ስለ ዝነበረኒ ድማ ሒዘዮ ከድኩ። ሽዑ ፅቡቕ ክንክን ሕክምና’ኳ እንተተገበረለይ፡ ውሽጠይ ግን ብሓዘን ተሰይሩ በይነይ ከም ዝኾንኩ ክስምዓኒ ጀመረ። በዓል ገዛይ ኣብ ካልእ ሃገር’ዩ ነይሩ። ኣብ ጋምቢያ ሓደ ኣተሓሳስባ ኣሎ። ዝተመርዓወት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ውሽጢ ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ዘሎ እዋን ቆልዓ ክትወልድ እንተዘይኪኢልካ፡ ነቲ ሰብኣይ ንገንዘቡ ክትብል ከም ዝተመርዓወቶ ይቑጸር። ኣብ ገለ እዋናት ካብ በዓልቤትካ ዝኾነ ነገር ክትሓትት ከም ዘይብልካ እዩ ዝስምዓካ። ምኽንያቱ ቆልዓ ስለ ዘይሃብካዮ። ሕጂ ግን፡ ፅብቕቲ ቆልዓ ሰለስተ ወርሒ ኣላትኒ። ጆሴ ብራነን - ጓል 33 ዓመት - ብሪጣኒያ ደም ክፈስስ ኣብ ዝጅምረሉ እዋን ተስፋኻን ሕልምታትካን ከም ዝቐሃመ ይስምዓካ። ብዙሕ ደም ክፈስስ ክትርእይ ኣብ እትጅምር ግን ከኣ ደው ክተብሎ ከም ዘይትኽእል ኣብ እትግንዘበሉ እዋን ከቢድ ስቓይ ይስመዓካ። ካብ 2018 ንደሓር ሓሙሽተ ጊዜ ምውራድ ጥንሲ ኣጋጢሙና’ሎ። እንተኾነ ሎሚ’ውን ከም ደቅና ኢና ንቖጽሮም። ክውለዱሉ ንዝነበረ መዓልቲ እናዘከርና ልደቶም ነኽብረሎም ኢና። ብድሕሪ እቲ ሳልሳይ ምውራድ ጥንሲ ኣብ ፅባሕ ዘሰንብድ ክስተተስ ንዘጋጥም ውጥረት [post-traumatic stress] ከም ዝተቓላዕኹ ፈሊጠ። ብድሕሪኡ ክልተ ጊዜ ተወሳኺ ምውራድ ጥንሲ ኣጋጢሙኒ። ቆልዓ ንምርካብ ፈተነ ክንገብር ቀጺልናሉ ሎሚ ንሻድሻይ ጊዜ ነብሰፆር ኮይነለኹ። ነዚ ምስ ፈለጥኩ ግን ብኸቢድ ፍርሒ’የ ተሸሚመ። ሕዚ ኣብ ናይ መወዳእታ መዓልታት እዋን ጥንሲ እርከብ። ሕጉስቲ ኮይነ ኣለኹ። [ጆሴን በዓልቤታ ዴቪድን ብሰላማዊ ሕርሲ ቆልዓ ረኺቦም ኣለዉ] ታሚራ ዳን - ጓል 34 - ካብ ኣሜሪካ ኣብ ጥቅምቲ 2014 ምስ ከቢድ ቃንዛ ሑቖ ካብ ድቃሰይ ተበራቢረ። ንዶክተር ምስ ኣዘራረብክዎ ድርቀት ክኸውን ከም ዝኽእል ብምሕባር ናብ ሆስፒታል ክኸይድን ኣልትራሳውንድ ክለዓልን ሓቢሩኒ። ዝበለኒ ክገብር ግን ኣይከኣልኩን ምኽንያቱ እቲ ምውራድ ጥንሲ ገና ኣብ ገዛ ከለኹ’ዩ ጀሚሩኒ። ኣብ ገዛ በይነይ እየ ነይረ። እንታይ ይፍጠር ከም ዘሎ ኣይፈልጥኩን፤ ዝረግአ ደም ክፈስስ ጥራይ የርኢ። ኣምቡላንስ መፂኣ ናብ ሆስፒታል ምስ በፃሕኹ ድማ “ሓሓሊፉ ከምዚ ዝበለ ነገር የጋጥም’ዩ” ክብል ዶክተር ሓበረኒ። ፀኒሑ ግን ነቲ ዝተረፈ ኣካል ናይቲ ድቂ ፀሪጉ ዘውጽእ መድሓኒ ስለ ዝተወሃበኒ ንፍርቂ ሰዓት ዝኸውን ኣብ ዓራት’ቲ ሆስፒታል ክፀንሕ ተነጊሩኒ። ብዛዕባ ምውራድ ጥንሲ ዘረድእ ፅሑፋት ሂቦም ድማ ናብ ገዛይ ሰንዮምኒ። እዚ ዘሕደረለይ ስነልቦናዊ በሰላ ነዊሕ ዝጸንሐ ነይሩ። ዶኳትር ግን ዝለመድዎ ኣጋጣምታት ከይኮነ ኣይተርፍን “ከጋጥም ዝኽእል’ዩ፤ ኣጆኺ በርትዒ፤ ፅንሕ ኢልኪ ፈትኒ” ኢሎም’ዮም ዘፋንዉኻ። ውሉደይ ብዘጋጠመኒ ምውራድ ኣብ ናይ ገዛይ ሽቓቕ ስለ ዝሰኣንክዎ ንነዊሕ እዋን ዝሃሰየኒ ጉዳይ ነይሩ። ንሽድሽተ ኣዋርሕ መዓልታዊ ብሓዘን እነብዕ ነይረ መስለኒ። ኣብቲ እዋን ሓጋዚት መምህር’ኳ እንተነበርኩ ናብ ጥቓ ህጻናት ግን ክፅጋዕ ድልየት ኣይነበረንን። ሞያዊ ማዕዳ (ምኽሪ በዓልሞያ) ረኺበ’የ። ሸሞንተ ዓመታት እንተተቖጸሩ’ኳ ክሳብ ሎሚ ግን ኣብ ሕክምናዊ ክትትል ኣለኹ። ተዘክሮታት ናይቲ ተጓንፎ ድማ ክሳብ ሎሚ ኣብ ውሽጠይ ኣሎ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61308819"} {"headline":"ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ንኦሎምፒክ ቶኪዮ ከመይ ተዳልዮም ኣለዉ?","content":"ኣብ ውድድራት ኦሎምፒክ ቶኪዮ ካብ ሕሉፍ እዋናት ዝሓሸ ውጽኢት ንምምዝጋብ ከም ዝተዳለዉ ኣትሌታትን ኣሰልጠንትን ኢትዮጵያ ንቢቢሲ ተዛሪቦም። እቲ ኣብ ጃፓን ቶኪዮ ዝካየድ ውድድራት ኦሎምፒክ ድሕሪ ጽባሕ ዓርቢ [23 ሓምለ 2021] ዝጅመር ኮይኑ ንኽልተ ሰሙን ክጸንሕ’ዩ። ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ 35 ኣትሌታት ብምሓዝ ናብ ቶኪዮ ዝጓዓዝ ኮይኑ እቶም ኣትሌታት ኣብ 7 ዝተፈላለዩ ርሕቐታት ከም ዝወዳደሩ ተፈሊጡ’ሎ። ናይ 5 ሽሕ 10 ሽሕን ርሕቐት ክብረወሰን ዓለም ዝሓዘት ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ እውን ኣባል እቲ ኢትዮጵያ ትልእኾ ጉጅለ ኮይና’ላ። ንምዃኑ ብወገን ኣትሌታት ዝተገበረ ምድላው እንታይ ይመስል? እንታይ ውጽኢት ትጽቢት ይግበር? ንዝብሉ ሕቶታት ምላሽ ንምርካብ ንገለ ኣትሌታት፣ ኣሰልጣንን ፕረዚደንት ፌደሬሽን ኣትሌቲክስን ኣዘራሪብና ኔርና። ሰለሞን ባረጋ ሰለሞን ንሃገሩ ወኪሉ ዝወዳደረሉ ርሕቐት 10 ሽሕ ሜትር’ዩ። “ጽቡቕ ውጽኢት ክነምጽእ ኢና ኢለ እሓስብ። ክሳብ ሎሚ ኣብ 5 ሽሕ ሜትር ይወዳደር ነይረ። ኣብ 10 ሽሕ ተወዳዲረ’ኳ ዘይፈልጥ እንተኾንኩ [ስልቲ] ኣገይይኦም ግን እፈልጦ’የ። ክብረወሰን ምስ ዘለዎም ኬንያውያንን ኡጋንዳውያንን እየ ክወዳደር” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። እቲ ናይ 10 ሽሕ ሜትሮ ርሕቐት ውድድር ዓርቢ 23 ሓምለ 2021 ከም ዝካየድ ተፈሊጡ’ሎ። ኣብዚ ውድድር ከኣ ብዘይካ ሰለሞን፡ ዮሚፍ ቀጀልቻን በሪሁ ኣረጋዊን ዝበሃሉ ኣትሌታት ንኢትዮጵያ ክውክሉ እዮም። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ናይ ኦሎምፒክ ውድድራት [ሪዮን ለንደንን] ብ 5ን 10ን ሽሕ ሜትሮን ተሸላሚ ወርቂ ዝነበረ መሓመድ ፋርህ ንተሳታፍነት ዘብቅዖ ሰዓት ከማልእ ብዘይምኽኣሉ ኣብ ቶኪዮ ኣይሳተፍን። ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ኣብ ትሕቲ ሳህራ ካብ ዝርከባ ሃገራት ንፈለማ እዋን ኣብ ውድድራት ኦሎምፒክ ወርቂ ዝረኸበት ፈላሚት ጸላም ኣፍሪቃዊት ምዃና ይፍለጥ። ሎሚ ድማ ንፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ብምውካል ናብ ቶኪዮ ክትኸይድ’ያ። “ገለ ጸገማት’ኳ ዘይሰኣኑ እንተኾኑ ምድላውና ግን ጽቡቕ እዩ። ኩሉ ዓወት ንምርካብ ተዳልዩ’ዩ ዝመጽእ ስለዚ ንሕና’ውን ንዓወት ተዳሊና ኣለና” ክትብል እታ ፕረዚደንት ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ተዛሪባ። እቲ ፌደሬሽን ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ካብ ዝተገበሩ ውድድራት ብዝወሰዶ ገምጋም መሰረት ኣብ ኦሎምፒክ ቶኪዮ ዝሳተፉ ኣትሌታት ክምልምል ኪኢሉ’ሎ። “ፈጣሪ እንተሓጊዙና ውጽኢት ክነምጽእ ኢና ኢልና ንሓስብ። ለበዳ ኮቪድ-`19 ግን ከምልብና ከይንሰርሕ ኣተኣጓጒሉና እዩ” ኢላ ኣትሌት ደራርቱ። ሹራ ቂጣታ ኣትሌት ሹራ ቂጣታ ኣብ ኦሎምፒክ ንፈለማ እዋን’ዩ ክሳተፍ። ሹራ ኣብ ውድድር ማራቶን ንኢትዮጵያ ዝውክል ኮይኑ “ንሃገርን ንውልቅናን ወርቂ ክነምጽእ ኣለና ብዝብል ኢና ንዳሎ ዘለና” ኢሉ። ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ማራቶን ለንደን ንኬንያዊ ኢሊዩድ ኪፕቾጌ ብምስዓር ወርቂ መዳልያ ዝወሰደ እዚ ኣትሌት፤ ኣብ ለንደን እውን ምስቲ ወናኒ ክብረ ወሰን ማራቶን ክራኸብ’ዩ። ምስ ሹራ ንኢትዮጵያ ዝውክሉ ኣትሌታት ከኣ ሌሊሳ ደሲሳን ሲሳይ ለማን ኮይኖም ኣለዉ። ዋና ኣሰልጣኒ ነዊሕ ርሕቐት ዝኾነ ኮማንደር ሑሴን ሺቦ ኣብ ኦሎምፒክ ንኣትሌታት ሒዙ ክሳተፍ ከሎ እዚ ናይ ቶኪዮ ንሻድሻይ ጊዚኡ እዩ። “ዝለዓለ ውጽኢት ንምምዝጋብ ኣትሌታትና ኮኑ ንሕና ብኣካልን ብስነልቦናን ድልዋት ኢና” ክብል ንቢቢሲ ርእይትኡ ሂቡ። ኣሰልጣኒ ሑሴን ብ5ን 10ን ሽሕ ሜትሮ ንዝሳተፉ ኣትሌታት’ዩ ክመርሕ። “ብደቂ ኣንስትዮን ደቂተባዕትዮን ዝሳተፉ ኣርባዕተ ጉጅለ ክመርሕ’የ። ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ንምሓዝ ተሊምና ንሰርሕ ኣለና” ኢሉ። ወሲኹ ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝተመዝገበ ውጽኢት ዝሓሸ ኣብ ኦሎምፒክ ቶኪዮ ከም ዝምዝገብ ተስፋ ከም ዝገብር ተዛሪቡ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57915486"} {"headline":"ኦሎምፒክ ቶክዮ 2020፡ ኤርትራ ብ13 ኣትሌታት ክትውከል እያ","content":"ኣብቲ ካብ 23 ሓምለ ክሳብ 8 ነሓሰ 2021 ኣብ ቶክዮ ጃፓን ዝካየድ ዓለምለኻዊ ውድድር ኦልምፒክ፡ ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 13 ኣትሌታት ንኤርትራ ብምውካል ኣብቲ ውድድር ክሳተፉ እዮም። ኤርትራ ኣብቲ ውድድር ብጉያ፡ ምሕንባስን ቅድድም ብሽክለታን እያ ክትሳተፍ። ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ዕውት ናይ ግዜ ውድድር ቅድድም ብሽክላታ ኤርትራ መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣማኒኤል ገብረእግዝኣብሄርን ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2019 ሞሳና ደበሳይን እያ ተወኪላ ዘላ። ኤርትራ ብቅድድም ብሽክለታ ኣብ ውድድር ኦሎምፒክስ ክትሳተፊ እዚ ንካልኣይ ግዜኣ ኮይኑ፡ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ 2012 ኣብ ሎንዶን ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ንኤርትራ ወኪሉ ተወዳዲሩ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ሳምሶም ሰለሙን'ውን ኣሰልጣኒ ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኮይኑ ተመሪጹ ኣሎ። መርሃዊ ቅዱስ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ኣብ ኦሎምፒክ ክወዳደር ምሕራዩ ዓቢ ሓጎስ ከምዝተሰመዖን ምስ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር ብምዃን ምድላዋቶም ኣጻፊፎም ከምዘለዉን ኣካፊሉና። \"ኣብ ኦሎምፒክ ክሳተፍ እዚ ናይ መጀመርታይ እዩ፡ ሓደ ኣትሌት ክወዳደሮ ኣለኒ ኢሉ ዝሓልሞ ጥርዚ ናይ ስፖርታዊ ኦሎምፒክ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ናብዚ ምብቀዐይ ኣዝየ ሕጉስ'የ\" ኢሉ። ኤርትራ፡ ኣብ 3000 ሜትሮ ደቂ ተባዕትዩ ብኣትሌት የማነ ሃይለስላሰ ክትውከል እንከላ ኣብ 5000 ኸአ ኣትሌት ራሄል ዳንኤልን ወይኒ ቐሊትን ክትወከል እያ። ኣብ ናይ 10 ሽሕ ውድድር ጉያ ብኣትሌት ኣሮን ክፍለ ክትውከል እንከላ ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኸኣ ብኣትሌት ዶልሺ ተስፉን ኣትሌት ወይኒ ቐላትን ክትሳተፍ እያ። ኣብ ማራቶን ኮኾብ ተስፋጋብርን ናዝሬት ወልዱን ክወዳደራ እየን። ኣብ ውድድር ምሕንባስን'ውን ኤርትራ ንመጀመርታ ግዜ እያ ኣብ ኦሎምፒክ ትወዳደር ዘላ ኮይና: ሓምባሲ ዳንኤል ክርስትያን ኣብ 200 ሜትሮ ንኤርትራ ወኪሉ ክወዳደር እዩ። ኤርትራ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 2000 ኣብ ሲድኒ ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ እያ ክትሳተፍ ጀሚራ። ኣብ 2000 ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ናይ 5000 ሜትሮ ብኣትሌት ቮላታ ኣስመሮም ኣብ ናይ 10 ሽሕ ኸኣ ብኣትሌት ዮናስ ክፍለ እያ ተሳቲፋ። ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኸኣ ነብያት ሃብተማርያም ኣብ ናይ 5000 ሜትሮ ንኤርትራ ብምውካል ኣብቲ ውድድር ተሳቲፋ ነይራ። ኤርትራ ኣብ ውድድር ኦሎምፒክስ ሓንቲ መዳልያ እያ ኣብ ከብሓ ዘላታ። ኣብ 2004 ኣብ ኣቴንስ ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክስ ኣትሌት ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ ውድድር 10 ሽሕ ሳልሳይ ኮይኑ ብምውጻእ ንዕኡን ንሃገሩን ነሓስ መዳልያ ምግዛሙ ይዝከር። ፕረዚደን ኢሳይያስ ኣፈወርቂ: ነዞም ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ዝሳተፉ ኣትሌታት ሎሚ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ [ኣብ ዓዲ ሃሎ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ] ረኺቡ ሰናይ ትምኒቱ ከምዝገለጸሎም ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57807344"} {"headline":"ሰሜን ኮርያ ናብ ገማግም ባሕሪ ጃፓን ሚሳይል ወንጪፋ","content":"ሰሜን ኮርያ ብውሕድ ሓደ ተወንጫፊ ሚሳይል ናብ ማያዊ ገማግም ጃፖን ከምዝተኮሰት ሚኒስተራት ደቡብ ኮርያን ጃፓንን ኣፍሊጦም። እዚ ዝኸውን ዘሎ ድማ ላዕለዎት ሓለፍቲ ድሕነት ደቡብ ኮርያ፣ ጃፓንን ኣሜሪካን ኣብ ጉዳይ ሰሜን ኮርያ ንምዝርራብ ኣብ ዝተራኸቡሉ እዋን'ዩ። ኣብ ቀረባ ሰሙናት'ውን ነዊሕ ርሕቐት ዝጓዓዙ ሚሳይላትን ጸረ-ኣየር ኣጽዋርን ፈተነታት ክተካይድ ምቕናያ ይዝከር። ገለ ካብ ዘካየደቶም ፈተነታት ከኣ ንዝተገደቡ ዓለምለኸ ማዕቐባት ዝጠሓሱ ነይሮም። ሰሜን ኮርያ፤ ፈተነታት ባላስቲክ ሚሳይላትን ኒኩሌራዊ ኣጽዋራትን ፈጺማ ከይተካይድ ካብ ሕቡራት ሃገራት እገዳ ከምዝተገበረላ ይፍለጥ። ደቡብ ኮርያ ሎሚ ሰሉስ ከምዘፍለጠቶ ግን እታ ሃገር ካብ ወደብ ሲንፖ ሓደ ሚሳይል ኣወንጪፋ'ላ። ባሕሪ ጃፓን ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ድማ ዓሊቡ። ነቲ ምውንጫፍ \"ኣዝዩ ዘሕዝን\" ክብል ዝገለጾ ቀዳማይ ሚኒስተርር ጃፓን ፉሚዮ ኪሺዳ፤ ክልተ ተወንጨፍቲ ሚሳይላት ከምዝተተኮሱ ሓቢሩ። ሰሜን ኮርያ ነቲ ደቡብ ኮርያ እተማዕብሎ ዘላ ኣጽዋራት ስዒቡ ፈተነታት ሚሳይል ተጽዕቕ ከምዘላ ዝግለጽ ኮይኑ፤ በዚ ምኽንያት ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ውድድር ኣጽዋር ይካየድ ምህላዉ ተዓዘብቲ ይዛረቡ። ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ወተሃደራዊ ምርኢት ኣብዚ ሰሙን ዝኸፈተት ደቡብ ኮርያ፤ ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ባዕላ ሮኬት ናብ ህዋ ክተወንጭፍ ኣብ ምሽብሻብ ትርከብ። ኣብ ሞንጎ ክልትኤን ኮርያ ኲናት ክውላዕ ድልየት ከምዘይብሉ ዝገለጸ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡን ሃገሩ ግን ካብ ጸላእታ ብፍላይ ካብ ኣሜሪካ ንምክልኻል ዘኽእላ ኣጽዋራት ምምዕባል ከምእትቕጽል ኣፍሊጡ። ምምሕዳር ባይደን ምስ ሰሜን ኮርያ ብዘይ ገለ ቅድመ ኩነት ቅሉዕ ዝኾነ ዝርርብ ንምግባር ድልው ከምዝኾነ ብልኡኽ ኣሜሪካ ኣቢሉ ደጋጊሙ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ገሊጹ'ሎ። ኣብ ሕሉፍ ዝተኻየዱ ዝርርባት ኣሜሪካን ሰሜን ኮሪያን ኣብ ምቁራጽ ምምዕባል ኒኩሌር ብዝተፈጠረ ዘይምስምማዕ ውጽኢታውያን ከይኮኑ ምትራፎም ይዝከር። ኣሜሪካ እቶም ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዝተነበሩ ማዕቐባት ቅድሚ ምፍኳሶም እታ ሃገር ዘለውዋ ኒክሎሳዊ ኣጽዋር ክተዕንው ጻውዒት ተቕርብ፤ መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ብወገኑ ነዚ ሓሳብ ይነጽጎ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58964288"} {"headline":"ሰሜን ኮርያ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ መዓልታት ንካልኣይ ግዘ ሚሳይል ተኵሳ","content":"ሰሜን ኮርያ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ መዓልትታት ካልኣይ ሚሳይል ተኲሳ። ቅድሚ ሽዱሽተ መዓልትታት 'ሃይፐርሶኒክ' ሚሳይል ምትኳሳ ዝፍለጥ ኮይኑ ሕጂ ከኣ ባሊስቲካዊ ምዃኑ ዝጥርጠር ሚሳይል ተኲሳ። ጎረቤት ሃገር ደቡብ ኮርያ እቲ ሚሳይል ሎሚ ሰሉስ ከባቢ ሰዓት 07:27 ከምዝተወንጨፈ ገሊፃ። ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ጃፓን ብወገኑ፡ ሰሜን ኮርያ \"ባለስቲክ ሚሳይል ዝመስል ነገር\" ወንጪፋ ኢሉ። ሽድሽተ ሃገራት ዓለም፡ ሰሜን ኮርያ \"ካብዚ ዘይህዱእ (ተኣፋፊ) ተግባራ\" ክትቁጠብ ምፅወዐን ስዒቡ እያ፡ እታ ሃገር ሰሙን ኣብ ዘይመልእ፡ ንካልኣይ ግዘ ወንጪፋ ዘላ። ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ደቡብ ኮርያ፡ \"ሰራዊትና፡ ብሰሜን ኮርያ ካብ መሬት ናብ ምብራቓዊ ባሕሪ ዝተወንጨፈ ባለስቲክ ሚሳይል ከምዝኾነ ዝጥርጠር ነገር ከሺፉ ኣሎ\" ብምባል፡ ሰብመዚ ድሕንነት ደቡብ ኮርያ ምስ ኣሜሪካ ብምዃን ዓሚቕ ምርመራ የካይዱ ከምዘለዉ ገሊፁ። መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዝነበረ ወሳኒ ኣኼባ፡ ኣብ 2022 ምክልኻል እታ ሃገር ቀዳምነት ከምዝወሃቦ ገሊፁ ኔሩ፤ እዚ ሓድሽ ምውንጫፍ ሚሳይል ድማ ንቃል እቲ መራሒ ብተግባር ዘረጋግፅ'ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፣ ፈረንሳ፣ ኣየርላንድ፣ ጃፓን፣ ዓባይ ብሪጣንያን ኣልባንያን፡ ነቲ ሰሜን ኮርያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንዘካየደቶ ፈተነ ምውንጫፍ ሚሳይል ብምኹናን፡ ሓባራዊ መግለፂ ኣውፂአን እየን። ልእኽቲ ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪን ፊልድ፡ \"እዞም ተግባራት ንህድኣት እቲ ዞባ ስግኣት'ዮም\" ክትብል ንተግባር ሰሜን ኮርያ ኮኒና። ሰሜንኮርያ ካብ ዘናውፅ ተግባራታ ክትቁጠብ ድማ እቲ ልፍንቲ ፀዊዑ። ነቲ ኣብ 2021 ኣፅዋራታ ናይ ምምዕባል መደባት ትቕፅሎ ዘላ ሰሜን ኮርያ፡ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ሓድሽ 'ሃይፐርሶኒክ ሚሳይል' ዝበልኦን ኣብ ባቡር ዝገጥም ባሊስቲካዊ ሚሳይል ከምኡ'ውን ናይ ነዊሕ ርሕቐት ክሩዝ ሚሳይል ፈተነታት ኣካይዳ እያ። ሃይፐርሶኒክ ሚሳይል ካብቶም ዝተለመዱ ኣዝዩ ዝቐልጠፈ ኮይኑ ብስርዓታት መከላኸሊ ሚሳይል ንክብርዕን ዘጸገም እዩ። ባሊስቲካዊ ሚሳይል ካብ ክሩዝ ሚሳይል ንላዕሊ ብዙሕ ብርቱዕ ፅዕነት ክሽከም ስለዝኽእል፡ ነዊሕ ስለዝጓዓዝን ቅልጡፍ ብምዃኑን ዝያዳ ኣስጋኢ ተገይሩ ይውሰድ። ኣብዚ እዋን ፒዮንግያንግ ብሰንኪ ዕፅዋታት ኮሮናቫይረስ ብሕፅረት ምግቢ ኣብ ትሳቐየሉን ቁጠብኣ ኣዝዩ ኣብ ዝማህመነሉን እዋን ኮይና፡ ሓደሽቲ ፈተነታት ምውንጫፍ ሚሳይል ካብ ምግባር ንድሕሪት ኣይበለትን። ሰሜን ኮርያ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት 2022፡ ንካልኣይ ግዘ እያ ፈተነ ምውንጫፍ ሚሳይል እተካይድ ዘላ። መራሒ እታ ሃገር ኪም ጆንግ ኡን ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ \"እታ ሃገር ናይ ሞትን ሕየትን ፈተናታት\" ከምዘጋጠምዋ ብምሕባር፡ ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝብን ዕብየትን ኣብዚ ዓመት ካብ ዝስርሑ ቀንዲ ሸቶታት ከምዝኾኑ ገሊፁ'ዩ። ቅድም ክብል ሰብመዚ ሕቡራት ሃገራት፡ ህፃናትን ሽማግለታትን ሰሜንኮርያ ስግኣት ጥሜት ኣንፀላልይዎም ከምዘሎ ኣጠንቂቖም ኔሮም። ዋላ'ኳ ኣሜሪካ፡ ሰሜን ኮርያ ምፍራይ ኒኩለር ክተቋርፅ ብተደጋጋሚ እንተፀውዐት፡ ርክብ ፒዮንግያንግን ምምሕዳር ባይደንን ግና ብውጥረት ዝተሰነየ ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59948241"} {"headline":"ኣትሌቲክስ፡ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ተጋሩ ኣትሌታት ኣብ ቶክዮ ከይሳተፉ ተሓቲቱ ምንባሩ ኣቃሊዑ","content":"ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ኣትሌታት ኣብ እዋን ውድድር ናይ ተቓውሞ ምልክት ከርእዩ ስለዝኽእሉ ካብ ኦሎምፒክ ቶኪዮ ክተርፉ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ ቀሪቡ ምንባሩ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ ኮሚቴ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፤ ኣብቲ ቅድሚ መዓልታት ዝተዛዘመ ውድድራት ኦሎምፒክ፡ ኢትዮጵያ ዝተሓተ ውጽኢት ሒዛ ብምምላሳ ብወግዒ ይቕሬታ ሓቲቱ'ሎ። ኣባላት ፈጻሚት ስራሕ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፤ ሓደ ነቲ ካልእ ተሓታቲ ብዘይምግባር እቲ ትጽቢት ዝግበር ዝነበረ ውጽኢት ክመጽእ ብዘይምኽኣሉ ይቕሬታ ንሓትት ኢሉ ፕረዚደንት እቲ ኮሚቴ ዶክተር ኣሸብር ወልደጊወርጊስ። \"ንቶኪዮ ሰፊሕ ምድላው ኢና ጌርና። መንግስቲ'ውን ካብ ካልእ እዋን ብዝሓሻ ደገፍ ገይሩልና እዩ። ኣትሌታትና ንነዊሕ እዋን ክነዳልዎም ኪኢልና ኢና። ህዝብናን መንግስትናን ብዝተጸበይዎ መልክዑ ውጽኢት ክመጽእ ብዘይምኽኣሉ ግን ሓዚንና ኣለና\" ኢሉ። ነዚ ድማ ንህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ይቕሬታ ከምዝሓቱ ብምግላጽ፡ \"ኮሚቴ ኦሎምፒክ ካባና ትጽቢት ዝግበር ኩሉ ሰሪሕና ኢና። ክንውቀሰሉ ዝግባእ እጃም እንተሃለወና'ኳ ኢድ ምጥቑቛም ግን ጽቡቕ ኣይኮነን\" ክብል ነቲ ካብ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊኦም ዝቐርብ ክስታት ነጺጉ። እንተኾነ እቲ ኮሚቴ ኣብቲ ሽዑ እዋን፤ እቲ ሓበሬታን ሓሳብን ሓቅነት የብሉን ክብል ነቲ ዝቐረበሉ ሓሳብ ከምዝነፀጎ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ኣፍሊጡ። \"ሰብ ሞያ ምሳና እናሃለዉ ዘይምልከቶም ኣካላት ኣብ ቴክኒካዊ ጉዳያት ተሳትፎ ገይሮም፤ መሪጽና ዝለኣኽናዮም ኣትሌታት ካብ ኣፍልጦና ወጻኢ ብኻልኦት ኣትሌታት ተኪኦም ልኢኾም\" ክብል ነቲ ኮሚቴ ይነቅፍ። \"ምልክት ተቓውሞ ከየርእዩ\" ምኽትል ዋና ጸሓፊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኣይተ ገዛኸኝ ወልዴ፤ ብዙሓት ዝተጸበይዎ ውጽኢት ክመጽእ ዘይገበሩ ዝበሎም ሰለስተ ዓበይቲ ምኽንያታት ኣብቲ መድረኽ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣቕሪቡ ነይሩ። ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ኣትሌታት ብምኽንያት ኣብታ ሃገር ዘሎ ኲናት ኣብ እዋን ውድድር ናይ ተቓውሞ ምልክት ከርእዩ ስለዝኽእሉ ክተርፉ ዝጠልብ ሓሳብ ድማ ሓደ ካብቶም ዘቐመጦም ምኽንያታት ከምዝኾነ ገሊጹ። \"ሓደ መንግስታዊ ኣካል 'ኣትሌታታት ትግራይ ኣብዚ ውድድር ኣድላዪ ዘይኮነ ተግባር ክፍጽሙ ይኽእሉ እዮም' ክዝብል ንኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ነይሩ\" ኢሉ እቲ ምኽትል ዋና ጸሓፊ። እንተኾነ እቲ ኮሚቴ፤ እቲ ሓበሬታ ሓቅነት የብሉን ብምባል ከምዝነጸጎ ሓቢሩ። ምናልባት'ውን ዕላማ እዚ ሓበሬታ፡ እቶም ኣትሌታት ዘይቅኑዕን ቅድሚ ሎሚ ሓሲቦምዎ ዘይፈልጡን ነገር ሓሲቦም \"ኣብ ልዕሊ መንግስትን ህዝብን ተቓውሞ ንከቕርቡ ዘለዓዕል ክኸውን ይኽእል'ዩ\" ኣብ ዝብል ምርድዳእ ከምዝበጽሑ ድማ ኣዘኻኺሩ። \"ብኻልእ ገጽ ከኣ እቶም ኣትሌታት በዚ ተቖጢዖም ከይወዳደሩን ውጽኢት ንኸይርከብን ዓለመ እዩ ብምባል ኮሚቴ ኢሎምፒክ ኢትዮጵያ ነቲ ሓላፍነት ወሲዱ ሰሪሑ'ዩ\" ኢሉ። ስለዝኾነ ዝምልከቶ መንግስታዊ ኣካል ኣብዚ ጉዳይ ምጽራይ ገይሩ ናብ ህዝቢ ወግዓዊ ክገብር ድልየት ኮሚቴኦም ከምዝኾነ ኣፍሊጡ። ዝወዳደሩ ኣትሌታት ሓሪኻ ናብቲ ውድድር ምልኣኽ ሓላፍነት ናይቲ ኮሚቴ እንከሎ፤ ነዚ ስራሕ ዘይምልከቶም ኣካላት ክፍጽሙ ምፍታኖም ከም ካልኣይ ምኽንያት ዝተሓተ ውጽኢት ዘቐመጠ እቲ ምኽትል ዋና ጸሓፊ፤ ንኹነታት ኣየር ቶኪዮ ኣብ ግምት ዘእተወ ምድላው ዘይምግባር ከኣ ሳልሳይ ምኽንያት ኢልዎ'ሎ። \"ኩነታት ኣየር ቶኪዮ ውዑይን ራህዲ ዘለዎን ከምዝኾነ ይፍለጥ። ስለዝኾነ ኣትሌታትና ተመሳሳሊ ኩነታት ኣየር ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ሃገርና ልምምድ ክገብሩ ኣለዎም ብዝብል፤ ኮሚቴና ካብ ኣሰልጠንቲ፣ ምስ ሰብሞያ ሕክምናን መሪሕነትን ዝተወጻጽአ ኮሚቴ ብምውዳብ ናብ ሃዋሳ'ኳ እንተልኣኸ፤ ረብሓ ብምድላይ ብዝተፈጠረ ጎንጺ ኣብ ሃዋሳ ከይዳለዉ ተገይሩ'ዩ\" ክብል ነቲ ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ኣብሪሁ። ንሱ ከምዝበሎ ሰብሞያ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ነዚ ዝምልከት ሕቶ ብተደጋጋሚ እንተቕረቡ'ውን ዝሰምዕ ኣካል ግን ኣይተረኸበን። \"ስለዚ ነቲ ኩነታት ኣየር ኣብ ዝመሳሰል ቦታ ምድላው ብዘይምግባርና፤ ኣብ ማራቶንን ስጉሚን ንኽወዳደሩ ካብ ዝለኣኽናዮም ሸውዓተ ኣትሌታት እቶም ሽድሽተ ኣቋሪጾም ወጺኦም\" ኢሉ። ኢትዮጵያ ኣብ ኦሎምፒክ ቶኪዮ 1 ወርቂ፣ ሓደ ብሩርን ክልተ ነሓስን ጥራሕ ብምሓዝ ኣብቲ ውድድር ካብ ዝተሳተፋ ሃገራት መበል 56 ደረጃ ሒዛ ከምዝዛመት ይዝከር። እዚ ውጽኢታ ድማ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ካብ ዘመዝገበቶም ዓወታት እቲ ዝተሓተ ኮይኑ ተመዝጊቡ'ሎ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58274946"} {"headline":"ጃፓን፡ ሰብ ጸጋ ዕድመ 107 ዓመት ዝኾና መናቱ ክብረወሰን ጊነስ ሰይረን","content":"መዝገብ ክብረ ወሰን ዓለም ጊነስ 107 ዓመት 300 መዓልታትን ዝሓለፈን ክልተ ጃፓናውያን መናቱን ብህይወት ዘለዋ ኣረጋውያን መናቱ ክብል መዝጊቡወን። ኡሜኖ ሱሚያማን ኬሙ ኮዳማን ብ5 ሕዳር 1913 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ጃፓን ደሴት ሾዶ 13 ኣባላት ስድራ ካብ ዘለዎም ቤተ ሰብ ተወሊደን። እዘን መናቱ፡ ቅድሚ ሕጂ ኪን ናሪታን ጂን ካኒን ብዝተባህሉ ጃፓናውያን ተታሒዙ ዝነበረ ክብረ ወሰን እየን ሰይረን ኣለዋ። እተን መናቱን ኣሕዋት ንክልቲኡ ኵናት ዓለም ዝሓለፋ ኮይነን፡ መባእታዊ ትምህርተን ምስ ወድኣ ኣትሒዘን ተፈላልየን ክነብራ ጀሚረን። ኡሜኖን ሙሜን ዝፈልጡወን ሰባት ማሕበራዊ ህይወት ዝፈትዋን ምስ ሰብ ሕውስውስ ዝብላን ምዃነን ይዛረቡ። ጊነስ ንኽልቲአን ኣሕዋት ኣብ መዝገቡ ከም ዘስፈረ ትማሊ ኣብ መዓልቲ ሃገራዊ በዓል ኣረጋውያን ወግዓዊ ገይሩ። ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ እዘን መናቱ ናብ ዝነብራሉ ዝተፈላለየ ናይ ጃፓን ክፍሊ እቲ ካብ ሓደ መስከረም 2021 ጀሚሩ ወነንቲ እቲ ክብረ ወሰን ምዃነን ዝሕብር ምስክር ወረቐት ተላኢኹለን ኣሎ። ጊነስ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ቅድም ኢሉ ነቲ ክብረ ወሰን ሒዞም ዝጸንሑ ጂን ካኔንን ኪን ናሪታን ብ107 ዓመትን 175 መዓልታትን ከም ዝኾነ ብምሕባር ኪን ብጥሪ 2000 ህይወቱ ከም ዝሓለፈን፤ ጂን'ውን ቐጺሉ ከም ዝሞተት ሓቢሩ። እዚኦም ብሓደ ነሓሰ 1892 ዓ.ም ዝተወለዱ ኮይኖም ሽሞም ወርቅን ብርን ዝብል ትርጉም ነይሩዎ። ቅድሚ ምሟቶም ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ታሪኾም ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽ ብተደጋጋሚ ይቐርብ ነይሩ። እዘን ሓደሽቲ ወነንቲ ክብረወሰን ኡሜኖ ኣደ ኣርባዕተ ቖልዑት ኮይና ሙሜ ድማ ሰለስተ ቖልዑት ኣለውዋ። ጃፓናውያን ነዊሕ ዕድመ ከም ዝነብሩ ይግለጽ፤ ንኣረጋውያን ድማ ዓብዪ ክብሪ ይወሃቦም። ክሳብ ሕጂ ኣብታ ሃገር እቲ ዝለዓለ ዕድመ 118 ዓመት ኮይኑ ወናኒት እዚ ክብረ ወሰን ጃፓናዊት ካኔ ታናካ'ያ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58591030"} {"headline":"ጃፓን፡ ብትሕቲ ባይታ ኣብ ትኸይድ ዝነበረት ባቡር ብዘጋጠመ ናይ ካራ መጥቃዕቲ 17 ሰባት ተሃሪሞም","content":"ኣብ ጃፓን፡ ኣብ ውሽጢ ትሕቲ ባይታ ኣብ እትኸይድ ዝነበረት ባቡር ብዘጋጠመ ናይ ካራን ሓውን መጥቃዕቲ 17 ሰባት ከም ዝተሃረሙ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን። ፖሊስ ንሓደ ኣብ ፊልም ባትማን ልክዕ ከም ጆከር ዝተባህለ ገጸባህሪ ዝመስል መመላኽዒ ተኸዲኑ ዝነበረ ወዲ 24 ዓመት ምስቲ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ኣእትይዎ ኣሎ። እቲ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ናብ ጽንብል 'ሃሎዊን' [ዕለተ ትንሳኤ ሙታን] ኣብ ዝኸድሉ ዝነበሩ እዋን'ዩ ኣጋጢሙ። ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከም ዝሓበርዎ፡ እቲ ጥርጡር ኣብቲ ሓንቲ ባጎኒ [ተጎታቲት ባቡር] ፈሳሲ ብምኽዓው ሓዊ ወሊዑላ። ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ተሳፈርቲ ካብቲ ባርዕ ንምህዳም ንሓድሕዶም ክጸቃቐጡን ብመስኮት ናይታ ባቡር ክወጽኡን ይርኣዩ። እቲ መጥቃዕቲ ብኣቁጻጽራ እቲ ኸባቢ ልክዕ ሰዓት 8፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ከተማ ቶክዮ ካኩርዮ ኣብ ዝብሃል መጸበዮ ባቡር'ዩ ኣጋጢሙ። እቲ ጥርጡር ኸኣ ወይናውን ቀጠልያን ክዳን ተኸዲኑ ነይሩ። ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ንጋዜጣ ዮሚሩ ኣብ ዝሃቦ ምስክርነት \"መጀመርታ ናይ ሃሎዊን ምርኢት'ዩ መሲሉኒ ነይሩ፤ ድሒረ ግን ካራ እናኣወዛወዘ ብቀስታ ናባና ገጹ ክመጽእ ርኢየዮ\" ኢሉ። ማዕከን ዜና ኤፒ'ውን ንመደበር መጥፋእቲ ሓዊ ከተማ ቶክዮ ብምጥቃስ፡ ካብቶም ዝተሃረሙ እቶም ሰለስተ ኣዝዮም ዝተሃሰዩ ከም ዝኾኑ ገሊጾም። ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ብወገነን፡ ሓደ ብኻራ ዝተሃረመ ሽማግለ ኣብ ዕውለት [ኮማ] ኣትዮ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ባቡር ብገለ ተሳፈርቲ ዝተሳኣለ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ተሳፈርቲ ካብቲ ብኻራ ንተሳፈርቲ ዝወግእ ዝነበረ ውልቀሰብ ንምህዳም ካብ ባቡር ብመስኮት እናነጠሩ ይርኣዩ። ሓደ ካብቶም ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ዝተዘርገሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ዝሰኣለ ሹንከን ኪማር ንማዕከን ዜና ኤንኤችከይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ \"እቲ ኩነታት ኣዝዩ ዘሰንብድ'ዩ\" ድሕሪ ምባል \"መዓጹ ናይታ ባቡር ተዓጽዩ እዩ ነይሩ፤ እንታይ ክንገብር ከም ዝነበረና ኣይንፈልጥን ኢና። እታ ሓንቲ ዝነበረትና ኣማራጺ ብመስኮት ምንጣር'ያ\" ኢሉ። እቲ ተጠርጢሩ ብፖሊስ ዝተተሐዘ ሰብ ንሰብ መዚ \"ሰብ ክቐትል'ሞ ንሞት ክፍረድ እየ ዝደሊ\" ምባሉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን። ኣብ ጃፓን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ተደጋጋሚ ናይ ካራ መጥቃዕቲ ክርኣ ጸኒሑ'ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ 10 ሰባት ናይ ካራ መጥቃዕቲ ከም ዘጋጠሞም ዝዝከር እዩ። ኣብ 2019'ውን ሓደ ውልቀ ሰብ ኣውቶቡስ ኣብ ዝጽበዩ ዝነበሩ ተማሃሮ ናይ ካራ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ክልተ ክቀትል እንከሎ ብውሕዱ 18 ኣቑሲሉ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59115824"} {"headline":"ሱናኦ ጹቦይ- ካብ ህልቂት ሂሮሺማ ዝደሓነ ወዲ 96 ዓመት ተጣባቒ መሰላት","content":"ካብቲ ኣብ ዓለም ንፈለማ እዋን ኣቶሚካዊ ቦምብ እተኻየደሉ መጥቃዕቲ ዝደሓነን ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዳግም ጉድኣት ከየብጽሕ ብምሉእ ዓቕሙ ዝተቓለሰ ውሩይ ጃፓናዊ ኣብ 96 ዓመት ዕድሚኡ ዓሪፉ። ሱናኦ ጹቦይ ብ6 ነሓሰ 1945 ዓ.ም ናብ ኮሌጅ እናኸደ ኣብ ሂሮሺማ ብዝተተኮሰ ኣቶሚክ ቦምብ መላእ ኣካላቱ ስለ ዝነደደ ብርቱዕ ስቓይ እዩ ኣሕሊፉ። ኣብቲ ንጃፓናውያንን ህዝቢ ዓለምን ዘሰምበደ ቀዛፊ መጥቃዕቲ ኑክሌር ቦምብ ኣስታት 140,000 ሰባት ኣብ ናይ ቋሕ ሰም ህሞት ሞይቶም። ከም ጹቦይ ዝኣመሰሉ ኣዝዮም ውሑዳት ውጻእ መዓት ከኣ ታሪኽ ክነግሩ እግዝሄር ንደሓር ኢሉዎም። ብድሕሪኡ ጹቦይ ምሉእ ህይወቱ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ንምጥፋእ ኣብ ዝግበር ወፈራ ጎስጓስ ብወለንትኡ ተወፍዩ። ሱናኦ ጹቦይ ኣብ 2016 ኣብ ጃፓን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ክሳተፍ ምስ ዝመጽአፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ኣብቲ ታሪኻዊ ምብጻሕ ሂሮሺማ ተራኺቦም ኣዕሊሎም። ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ድሕሪ መጥቃዕቲ ኣቶሚክ ቦምባ ንሂሮሽማ - ጃፓን ዝበጽሐ ናይ መጀመርያ ፕረዚደንት ኣመሪካ እዩ። እቲ መጥቃዕቲ ኒኩሌር ኣብ ኣጋ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም ሓይልታት ኪዳን ንጃፓን ክደፍእዋ እንከለዉ እዩ ተተኲሱ። ፕረዚደንት ኦባማ ኣብ መደረኡ፡ \"ሞት ካብ ሰማይ ወሪዱ፤ ዓለም ከኣ ተቐይራ እያ\" ኢሉ። ቀጺሉ፡ \"እቲ ደብዳብ፡ ደቂ ሰብ ንገዛእ ርእሶም ንከጥፍኡ ዘኽእሎም ዓቕሚ ከም ዘለዎም ዝሕብር\" እዩ ብማለት ዝኽሪ ሂሮሺማ ፈጺሙ ክሃስስ ከም ዘይብሉ ገሊጹ። ብዛዕባ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ክዛረብ እንከሎ ከኣ፡ \"ካብ ፍርሒ ከነምልጥ ትብዓት ክህልወናን ብዘይ ኒኩሌር ክንነብር ክንጽዕር ይግባእ\" ብምባል ነቶም ክልተ ውጻእ መዓት ሂሮሽማ ሓቚፉ ስዒሙዎም። ሽዑ እቲ ኣብ ጃፓንን ዓለምን ብጎስጓስ ምጥፋእ ኑክሌር ዝፍለጥ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ ትካል ኣቶማዊ ቦምብን ሃይድሮጅን ዓብዪ ግደ ዝነበሮ ውጻእ መዓት ሂሮሽማ ሱናኦ ጽቦይ፡ ምስ ኦባማ ድሕሪ ምርኻቡ፡ \"ሓሳባተይ ከመሓላልፍ ክኢለ እየ\" ክብል ተዛሪቡ። እቲ ኣሽሓት ዘህለቐ ቦምባ ኣመሪካ ኣብ ሂሮሽማ ክትኮስ እንከሎ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ተማሃራይ ምህንድስና ዝነበረ ጽቦይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ሓጺር ሕማም፡ ብዋሕዲ ደም ከም ዝሞተ ሓደ በዓል ስልጣን እቲ ማሕበር ንማዕከናት ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ። ብ6 ነሓሰ 1945 ኣብ ሂሮሽማ ብባርዕ ኑክሌር ምስ ተሃርመ፡ \"ንሰለስተ ሰዓት ዝኣክል ጥራሕ ነብሰይ ክሃድም'ኳ እንተፈተንኩ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ብእግረይ ክኸይድ ኣይከኣልኩን\" ክብል ነቲ ማዕኸን ዜና ተዛሪቡ ። ኣብ ሓደ ቦታ ተሰኒፉ ምስ ወደቐ፡ ሓንቲ እምኒ ኣልዒሉ ኣብ መሬት \"ጹቦይ ኣብዚ ሞይቱ\" ኢሉ ጽሒፉ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ። ብድሕሪኡ ጽቦይ ድሕሪ ሓያሎ ሳምንቲ እዩ ተንሲኡ። ኣዝዩ ደኺሙን ተኻኢሉን ስለ ዝነበረ ከም ቖልዓ ፍሑኽ እናበለ እዩ ክንቀሳቐስ ከም ዝጀመረ ሓቢሩ። ብድሕሪኡ ጥዕናኡ ምስ ተመሓየሸ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ጃፓን ሕሳብ\/ ቁጽሪ ክምህር ጀመረ። ነቶም መንእሰያት ከኣ ወትሩ ኣብ እዋን እቲ ውግእ ዘሕለፎ ተመኩሮ የዘንትወሎም ነይሩ። ካብ ብዝሒ ተመኩሮታቱ ተበጊሶም ከኣ እቶም ተመሃሮ \"ሚስተር ፍላሽ- ጹቦይ\" ዝብል ሳጓ ከም ዘውጽእሉ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሰላም ሂሮሺማ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ገሊጹ ። ኣንጻር ኒኩሌር ተቓለሱ፡ \"ፈጺምኩም ተስፋ ኣይትቝረጹ\" ብምባል ጸረ ኑክሌራዊ ወፍሪ ጎስጓስ የካይድን ይመክርን ነይሩ። \"ብሞት እቲ ንቅዱስ ዕላማ ዝቃለስ ዝነበረ ዓብይ መራሒና ኽንሓዝን ዘይኰነስ: [ካብ ዕላማታቱ ከይተኣለና] ከይረሳዕናዮ ነቲ መገዱ ኽንቅጽሎ ኣሎና። ንቃላቱ ድማ ወትሩ ኽንዝክር ኣሎና\" ክብል ኣባል ኣህጉራዊ ወፈራ ንዩክሌራዊ ኣጽዋር ዘይመንግስታውያን ውድባት ኣኪራ ካዋሳኪ ይሕብር። ጹቦይ፡ ድሕሪ እቲ ዘጋጠሞ ቃጸሎ ኒክሌር መንሽሮን ካልእ ሕማማትን ኣማዕቢሉ ኣብ መወዳእታ ብሰንኪ ዋሕዲ ደም ኣብ ሆስፒታል እናተሓከመ ዓሪፉ። ካብቲ ኣብ ልዕሊ እተን ክልተ ከተማታት ጃፓን ሂሮሺማን ናጋሳኪን ዘጋጠመ ኑክልየሳዊ መጥቃዕቲ ቦምብ ዝደሓኑ ኣስታት 127,000 ሰባት ብህይወት ኣለዉ ። ሱናኦ ጹቦይ፡ ኣቦ ክልተ ኣዋልድን ሓደ ወድ ከም ዝኾነ ኣሶሼትድ ፕረስ ጸብጺቡ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59115954"} {"headline":"ኣመሪካን ጃፓንን፡ ህዝበን እሳተ ገሞራ ዘበገሶ ማዕበል ከይጉዳእ ካብ ገማግም ባሕሪ ክርሕቑ ኣጠንቂቐን","content":"ኣመሪካን ጃፓንን፡ ህዝበን ብሰንኪ ካብ ደቡብ ፓስፊክ ዝተልዓለ እሳተ ገሞራ ዘበገሶ ማዕበል [ሱናሚ] ከይጉዳእ ካብ ካብ ገማግም ባሕሪ ክርሕቑ ኣጠንቂቐን። ጃፓን ክሳብ ሰለስተ ሜትሮ ዝበጽሕ ዕምቆት ዘለዎ ማዕበል ከጋጥም ከምዝኽእል ኣጠንቂቓ ኣላ። ዛጊድ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ብ1 ነጥቢ 2 ሜትሮ ዕምቆት ዘለዎ ማዕበል ከምዝተወቕዐ ምፍላጥ ተኻኢሉ። ኣመሪካ ብወገና፡ ገማግም ባሕርታት ብሓያል ህቦብላን ማዕበልን ክጥቅዑ ከምዝኽአሉ ኣጠንቂቓ ኣላ። እቲ ኣብ ውሽጢ ማይ ዝተኸሰተ ብርቱዕ እሳተ ጎመራ፡ ክሳብ ሓደ ሜትሮ ዕምቆት ዘለዎ ማዕበል ዘስዐበ ኮይኑ፡ ቶንጋ ምስ ዝተብሃለት ግዝኣት ከምዝተጋጨወ ውን ተሓቢሩ። እዚ ‘ቶንጋ-ሁንጋ-ሃፓይ’ ዝተብሃለ እሳተ ገሞራ ኣብ ደቡብ ፓስፊክ ውቅያኖስ ዝተተኮሰ ኮይኑ፡ ኣብ ብዙሓት ግዝኣታት ኣመሪካ ከቢድ ድምጺ ተሰሚዑ እዩ። ናይዚ እሳተ ጎሞራ ምትኳስ ስዒቡ፡ ብዙሓት ግዝኣታት ቶንጋ ብሓሙኽሽቲ ዝተሸፈና ኮይነን፡ መስመራት ኤሌክትሪክ፣ መስመራት ስልክን ግላጋሎት ኢንተርኔትን ተቛሪጹ ኣሎ። እቲ እሳተ ጎመራ ዘብጸሖ ጉድኣት መጠን ዛጊድ ኣይተፈልጠን። ኣብ ማሕበራዊ መራኺቢታት ዝወጽኡ ምስልታት ቤተ-ክርስቲያንን ካልኦት ዝተፈላለዩ ገዛውትን ብማይ ተውሒጦም ዘርእዩ ኾይኖም፡ ርእሰ ከተማ ኑኩአሎፋ ብሓሙኽሽቲ ከምዝተሸፈነት መሰኻኽር ዓይኒ ተዛሪቦም። ብዙሓት ብመኪና ንምህዳም እንትፍትኑ፡ ከቢድ ናይ ትራፊክ ምጭንናቕ ከምዝተፈጥረን፡ እቶም ብማሕበራዊ ሚድያ ዝወጽኡ ምስልታት የመልክቱ። ነባሪት እታ ከተማ ዝኾነት ሜሬ ታውፋ፡ እቲ ድምጺ እሳተ ጎመራ ዝተሰምዐ ስድራኣ ንድራር ኣብ ዝተቐረብሉ እዋን እንትኸውን፡ ንእሽተይ ሓዋ ኣብቲ ከባቢ ቦምብታት ዝወደቑ መሲልዎ ከምዝነበረ ገሊጻ። እታ ውልቀ ሰብ፡ \"መጀመርታ ንንእሽቶ ሓፍተይ ጎቲተ ናብ ትሕቲ ጠረጴዛ ሓቢአያ። ወለደይን ካልኦት ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝነበሩ ሰባት ናብ ትሕቲ ጠረጴዛ ክኣትዩ ዓው ኢለ ተዛሪበ” ክትብል ስተፍ ኮ ንዝ ንዝተብሃለ ናይ ኒውዚላንድ ሚድያ ተዛሪባ። ንሳ ከምእትብሎ፡ ብድሕሪኡ ናብ ገዛውቶም ቀልጢፉ ማይ ክኣቱ ጀሚሩ። “በብከባቢኡ ኣውያት ክስማዕ ጀሚሩ፤ ብዙሓት ድማ ህዝቢ ናብ በረኽቲ ቦታታት ክወጽኡ ዓውታ የስምዑ ነይሮም \" ክትብል ወሲኻ ገሊፃ። ካብቲ ዝተተኮሰ እሳተ ጎመራ ዝፈሰሰ ጋዝ፣ ትክን ሓሙኽሽትን ናብ ሰማይ ኣስታት 20 ኪሎሜትሮ ከምዝበጽሐ ቶንጋ ጂኦሎጂካል ሰርቪስ ሓቢሩ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60014159"} {"headline":"ቶክዮ ኦሎምፒክ፡ ኬንያዊ ኣትሌት ኪፕቾጌ ጎብለል ማራቶን ኮይኑ ቀጺሉ","content":"ኬንያዊ ኣትሌት ኢሉይድ ኪፕቾጌ ኣብ ኦሎምፒክ ውድድራት ጉያ ማራቶን ተኸታታሊ ዓወት ብምዕታር ጎብለልነቱ ኣረጋጊጹ። ኣብ 1980 ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ ኦሎምፒክ ጎበለል ነዊሕ ርሕቐት ኮይኑ ናይ ዝነበረ ኣትሌት ወዲ ሃገሩ ከምዝተክኦ’ውን ይግለጽ ኣሎ። ውደድራት ኦሎምፒክ ማራቶን ብተኸታታሊ ብምስዓር ካብ ዓለም ሳልሳይ ከምዝኾነ ዝዝረበሉ ኪፕቾጌ ነቲ ቅድድም 2 ሰዓትን 8 ደቃይቕን ምስ 38 ሴኮንድን ከምዝዛሞ ተፈሊጡ። ኣብ ዓለም ጉያ ማራቶን ዝነገሰ ወዲ 36 ዓመት ኪፕቾጌ ነቲ ካልኣይ ዝወጽአ ኔዜርላንዳዊ ኣትሌት ኣብዲ ናጌዮ ብሓደ ደቂቓን 20 ሴኮንድን መሪሕዎ ነቲ ውድድር ከምዝዛመ ተፈሊጡ’ሎ። ኣብዚ ውድድር ሳልሳይ ኮይኑ ዝተዓወተ ድማ ቤሌጄምያዊ በሽር ኣብዲ’ዩ። ንኢትዮጵያ ወኪሎም ኣብቲ ናይ ማራቶን ጉያ ዝተሳተፉ ኣትሌታት ኣሞንግዮም ካብቲ ውድድር ከምዝወጽኡ ተሓቢሩ። ክፕቾጌ ድሕሪ እቲ ውድድር ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት “ብተኸታታሊ ንኻልኣይ ግዜ ተዓዋታይ ጉያ ማራቶን ስለዝኾንኩ ባህጉ ከምዘዕወትኩ ኮይኑ’ዩ ተሰሚዑኒ። ንተረካቢ ወለዶ ድማ ከነቓቕሕ’የ ኢለ ተስፋ ይገብር” ኢሉ። “ቶክዮ ኦሎምፒክ ኣብ ዓንኬል እዚ ኩሉ ጸገማት ኮይኑ ይኻየድ’ሎ። እዚ ከኣ ዓብይ ነገር’ዩ። ተስፋ ኣሎ ማለት’ዩ። ናብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ስሩዕ ህይወትና ንኽንምለስ ኣብ ቅኑዕ መስመር ኢና ዘለና ማለት እዩ” ዝበለ ኣትሌት ኪፕቾጌ፡ ናይ ማራቶን ጎብለልነቱ ከቐጽል ብምኽኣሉን ንተረካቢ ወለዶ ብምልዕዓሉን ሕጉስ ከምዝኾነ ሓቢሩ። ሓደ ሰብ ስፖርታዊ ንጥፈቱ ስርዓት ብዘለዎ መገዲ እንተድኣተግቢርዎ ሕልሙ ከግህድ ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ዘለዎ ኪፕቾጌ እቲ ናይ ሕጂ ቶክዮ ኣሎምፒክ ንራብዓይ ግዚኡ ኮዑእኑ ኣብ ቅድድም ማራቶን ነቲ ውድድር ብትሕቲ ክልተ ሰዓት ዛዚሙ ንዓለም ዘገረመ ኬንያዊ ተቐዳዳማይ ከምዝኾነ ይፍለጥ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58135599"} {"headline":"ጃፓናዊት ልእልቲ 'ተራ' ሰብ ብምምርዓዋ መዓርጋን 1.3 ሚሊዮን ዶላር ገዝሚ ተኸልኪላ","content":"ጃፓናዊት ልእልቲ ማኮ ናይ ኮሌጅ ኣፍቃሪኣ ኬይ ኮሙሮን ተመርዕያ - ብዚ ምኽንያት ድማ መዓርጋ ተመንጢላ። ብመሰረት ሕጊ ጃፓን ኣባላት ንጉሳውያን ቤተ ሰብ፤ ምስ 'ተራ' ሰብ ማለት'ውን ኣባል ንጉሳውያን ቤተ ሰብ ዘይኮነ፡ እንተተመርዕየን መዓርገን ክምንጠላ ይግደዳ። ካብኡ ንደሓር ናይቲ ስርወ መንግስቲ ኣባል'ውን ኣይኾናን። እንተኾነ፡ እዚ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ግብራዊ ኣይኮነን። እዚኣ ኣባል ንጉሳውያን ቤተሰብ፡ ከም ንቡር ብድሙቕ ድግስ ኣይተመርዓወትን። ኣባል ስድራ እቶም ንጉሳዊ ቤተ ሰብ እንትምርዖ፤ ብውህብቶ መልክዕ ዝቐርብ 1.3 ሚልዮን ዶላር'ውን ስኢና። ብምዃኑ ድማ፡ ከምቲ ንቡር እንዳ ንጉሳዊ ቤተሰብ ዝግበር ድግስ ዘይብሉ ስነ ስርዓት መርዓ ብምፍጻምን 1.3 ሚልዮን ዶላር ብዘይምቕባልን ኣብታ ሃገር ናይ መጀመርታ ኾይና ተባሂሉ። እቶም መጻምድቲ ኣብ'ቲ ስብኣያ ከም ጠበቓ ሕጊ ኾይኑ ዝሰርሐሉ ናብ ኣመሪካ ከምርሑ ምኳኖም እዩ ዝግመት። ናይታ ልእልቲ ውሳነ፡ ምስ'ቶም ደቂ ዓዲ እንግሊዝ ኣባላት ስድራ ንጉሳዊ ቤተሰብ ዝኾኑ ሜጋን መርክልን ልዑል ሃሪን ሓዳር ኣመሳሲሎምዎ። ነዚ'ውን፤ 'ናይ ጃፓን ሃሪን ሜጋንን' ዝብል ቅጽል ስም ተዋሂብዎም። ከምቲ ሜጋ ነቲ ካብ ተራ ስድራ ተወሊዱ ዝበሃል መርክል ክትምርዖ ዝነበረ፤ ንሳ ድማ ካብ ንጉሳዊ ስድራ ዘይውለድ ኮሙሮ ርክቦም ዕላዊ ካብ ዝኾን ጀሚሩ፡ ዓቢ መዘራረቢ ርእሰ ጉዳይ ኮይኑ ነይሩ። ብዙሓት ዓቢ ክትትል ዝገብሩሎም ኮይኑ፡ ኣብ ቀረባ ምስ ቅድድም ፈረስ ብዝተኣሳሰር ስፖርታዊ ጭዋነት ኣጉዲሎም ተባሂሎም ተወቒሶም። ከምኡ ድማ፡ እቲ መርዓዊ ኣቀማቕማ ጸጉሩ ንንጉሳዊ ቤተሰብ ዝምርዖ ሰብ ብዝምጥን ደረጃ ኣይተሰርሖን ተባሂሉ ብብዙሓት ተነቒፉ። ልዕልቲ ማኮ ግን ሓዳራ ክተመዝግብ፡ ብኣቆጻጽራ ሰዓት እታ ሃገር ሰዓት ኣርባዕተ ብተደጋጋሚ ንወለዳ ኢድ ነሲኣ ገዛኣ ጠንጢና ወጺኣ። እታ ልዕልቲ ካብ ገዛኣ ቅድሚ ምውጻኣ ንንእሽቶ ሓፍታ ሓቒፋ ብምስዓም ከምዝተሰናበተት፡ ኪዮዶ ዝተብሃለ መራኸቢ ብዙሃን ጸብጺቡ። እቶም መጻምዲ ሎሚ ሰሉስ፡ ብዛዕባ እቲ መርዓኦም ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝህብሉን ቀዲሞም ንዝቐርቡ ሓሙሽተ ሕቶታት ምላሽ ብምሃብ ዘረባ ከምዘስምዑን ትጽቢት ይግበረሎም።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59047379"} {"headline":"ቶኪዮ ኦሎምፒክ፡ ኣብ ታሪኽ ፈላማይ ወርቂ ሜዳሊያ ኦሎምፒክ ዝተዓወተት ንኡሽቶ ሃገር","content":"63 ሽሕ ብዝሒ ህዝቢ ጥራይ ዘለዋ ቤርሙዳ ኣብ ዓለም ፈላመይቲ ወርቂ ሜዳሊያ ኦሎምፒክ ዝተዓወተት ዝነኣሰ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር እያ። ኣብ ቶክዮ ይካየድ ኣብ ዘሎ ውድድር ኦሎምፒክ 2020፡ ኣትሌት ፍሎራ ዱፊ ትማሊ ንሃገራ ወኪላ ተወዳዲራ። ኣብቲ ብደቂ ኣንስትዮ ዝተኻየደ ውድድር ትራይትሎን [ሰለስተ ዓይነታት ስፖርት ዘጣመረ ውድድር] ድማ ወርቂ ሜዳሊያ ተዓዊታ። ውድድር ትራይትሎን 51 ኪሎ ሜትሮ ዝሽፍን እዩ። ቤርሙዳ ከኣ ካብ ኒውዮርክ ብ15 ዕጽፊ ዝነኣሰት'ያ። እዚ ማለት እታ ሃገር ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ተደሚራ 40 ኪሎ ሜትሮ እያ። እዛ ጓል 33 ዓመት ኣትሌት ንራብዓይ ግዜ ኣብ ኦሎምፒክ ክትሳተፍ እንከላ፡ እቲ ብሰሉስ ዝነበረ ውድድራ ብሓደ ሰዓት 55 ደቒቕን 36 ካልኢትን ዛዚማ። ካብ መወዳድርታ ኢንግሊዛዊት ጆርጂያ ታይለር ብራውንን ኣመሪካዊት ኬቲ ዛፈሬስን ብልዕሊ ሓደ ደቒቕ ቐዲማ እያ ኣትያ። እዚ ውጽኢት ሓንቲ ካብተን በቲ ዓውዲ ብሉጽ ውጽኢት ዘለወን 56 ደቂ ኣንስትዮ ዝገብራ ኮይኑ ኣሎ። ሃገራ ቤርሙዳ ድማ ኣብ ታሪኽ ኦሎምፒክ ፈላሚ ወርቂ ሜዳሊያ ዝረኸበት ዝነኣሰ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ክትኸውን ኣኽኢሉዋ። \"ንሓሙሽተ ዓመታት ብዙሕ ጸቕጢ ነይሩ። ሕጂ መላእ ቤርሙዳ ሕጉስ ከም ዝኾነ ይግምት። ነዚ'ዩ እቲ ውጽኢት ንዓይ ፍሉይ ዝገብሮ፤ ሕልመይ'ውን ነይሩ\" ኢላ ፍሎራ። ብ1976 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ተወዳዳሪ ጉስጢት ክላረንስ ሂል ንሃገሩ ነሓስ ኣምጺኡ ነይሩ። ፍሎራ ቆልዓ እናሃለወት ንብሪጣኒያ ወኪላ ክትወዳደር ዝነበራ ድልየት ተቐባልነት ብዘይምርካቡ እቲ ዕድል ተነፊጋ ነይራ። ብ2018 ግን፡ ቤርሙዳዊት ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ቻምፒዮን ጸወታታት ኮመንዌልዝ ተባሂላ ኣብ ታሪኽ ሽማ ኣጽሒፋ'ያ። \"ሕጂ ድማ ንቤርሙዳ ወርቂ ሜዳሊያ ዘምጽአት ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ምዃነይ የሐብነኒ። ንኻልኦት ብዙሓት ከተባብዕ'የ ኢለ ኸኣ ተስፋ ይገብር\" ኢላ። ኣብ ቶክዮ ክሃርም ዝሓደረ ዝናብ እቲ ውድድር ዝጅመረሉ ሰዓት ብ15 ደቓይቕ ክዝንግዕን ሸታሕታሕ ዘብል ኩነታት ክፍጠርን'ኳ እንተገበረ፡ ፍሎራ ድሕሪ ሓደ ግዜ ዘጋጠማ ምንሽርታት ንድሕሪት ከይተመልሰት ውድድራ ብዓወት ክትዛዝም ክኢላ። \"ኣብ ጫፍ መገዲ ንበዓል ቤተይ ርእየዮ፤ ኣሰልጣንየይ'ዩ። ቁሩብ ክምስታ ኣርእዩኒ፤ ድሕሪኡ ኩሉ ስምዒታተይ ክእከብ ገይረ\" ኢላ። እዛ ኣትሌት ብ2008ን 2012ን ኣብ ኦሎምፒክስ ተሳቲፋ ነይራ እያ። እንተኾነ ብ2016 ኣብ ሪዮ ኣብ ዝነበረ ውድድር ሜዳሊያ ንምርካብ ዓሊማ'ኳ እንተኸደት ውድድራ ሻምነይቲ ኮይና ዛዚማ። ድሕሪኡ፡ ንሓደ ዓመት ካብ ስፖርታዊ ውድድራት ክትርሕቕ ዝገብራ መጉዳእቲ እግሪ ኣጋጢሙዋ። ብ2018-2019 ከምኡ'ውን 2020 ኣብ ጸገም ከም ዝጸንሐት ተዛሪባ። \"ሕጂ ወርቂ ሜዳሊያ ክዕወት ምኽኣለይ ንኹሉ ዝሓለፍኩዎ መጉዳእቲ፣ በዳሂ እዋናትን ሓዘንን ዝድብሶ ኮይኑ'ዩ\" ብምባል ዝተሰምዓ ሓጎስ ገሊጻ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57994894"} {"headline":"ቀዳማይ ሚኒስትር ጃፓን ሺንዞ ኣቤ ብምኽንያት ጥዕና ካብ መዝነቱ ወሪዱ","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን፡ ሺንዞ ኣቤ ብምኽንያት ኩነታት ጥዕና ስልጣኑ ከም ዝወረደ ኣፍሊጡ። ጥዕንኡ ኣብ ስርሑ ዕንቅፋት ክፈጥር ከም ዘይደሊ ዝገለጸ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ነቲ ኣብ መዝነት ክጽንሓሉ ዝግባእ እዋን ክፍጽም ብዘይምኽኣሉ ንህዝቢ ጃፓን ይቕሬታ ሓቲቱ። ወዲ 65 ዓመት ሺንዞ ንብዙሕ ዓመታት ብነድሪ ከስዐ [ulcerative colitis] ክሳቐ'ኳ እንተጸንሐ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ኩነታት ጥዕንኡ ከም ዝኸፍአ ተዛሪቡ። ኣብ 2012 ደጊሙ ናብ ስልጣን ዝመጸ ሺንዞ፡ ኣብታ ሃገር ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ቀዳማይ ሚኒስተር እዩ። ብ2007 ዓ.ም ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኑ ኣብ ስልጣን ክጸንሐሉ ኣብ ዝግባእ እብረ ብምኽንያት እቲ ዘለዎ ሕማም ካብ ስልጣኑ ወሪዱ ነይሩ። እዚ ሕማም ገና ኮተቴ እናሃለወ ሓቢሩዎ ዝዓበየ ምዃኑ ይግለጽ። ቐዳማይ ሚኒስትር ኣቤ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ኣብ ክልተ ሆስፒታል ዝተኣተወ ኮይኑ፡ ኣብቲ ሓደ ንሸሞንተ ሰዓታት ከም ዝጸንሐ ተገሊጹ፤ ዘለወሉ ኩነታት ጥዕና ግን ብንጹር ኣይተፈለጠን። ማዕኸን ዜና ኤንኤችኬ ወዲ 65 ዓመት ሺንዞ ኣቤ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እታ ሃገር ጸገም ክፈጥሩ ዝኽእሉ ነገራት ኣቐዲሙ ክኣሊ ይደሊ'ዩ ኢሉ። ብ2012 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ናብ ስልጣን ዝመጽአ ቀዳማይ ሚኒስትር ሺንዞ ኣቤ ኣብ ጃፖን ብተኸታታሊ ቐዳማይ ሚኒስትር ብምዃን ንነዊሕ ዓመታት ዝመርሐ ሰብ'ዩ። ሺንዞ ኣቤ፡ \"ኣቤኖሚክስ\" ዝብል ናይ ባዕሉ ፍልስፍና ቑጠባ ተግባራዊ ብምግባር ነታ ሃገር ክመርሕ ጸኒሑ። ጃፓን ኣብ ሓይሊ ምክልኻል እትምድቦ ባጀት ክዓቢ እንትገብር፡ እቲ ሰራዊት ካብ ርእሰ ምክልኻል ወጻእ ኣብ ካልእ ክዋፈር ዝኽልክል ዓንቀጽ 9 ኣብ ምልጋስ ከም ዘይተዓወተ ይግለጽ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ህጹጽ ሓፈሻዊ መረጻ ንምክያድ ታሕተዋይ ገዛ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከፍርስ'ዩ ክብሃል ዝቐነየ ወረታት ሓለቓ ክፍሊ እቶት ሰልፊ ኤልዲፒ ኣኪራ ኣማሪ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ'ዩ ብምባል ነጺጉዎ። \"ንግዚኡ ህጹጽ ሓፈሻዊ መረጻ ኣይካየድን\" ኢሉ። ብመሰረት ሕጊ ጃፓን ሺንዞ ኣቤ ብኣግባቡ ስርሑ ክሰርሕ እንተዘይክኢሉ ግዝያዊ ፈጻሚ ቀዳማይ ሚኒስትር ክምዘዝ'ዩ፤ ክሳብ ክንደይ ይጸንሕ ዝብል ግን ኣይፍለጥን። ምክትል ቐዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትሪ ፋይናንስን ታሮ ኣሶ ካብቶም እቲ ግዚያዊ መሪሕነት ክርከቡ'ዮም ተባሂሎም ኣብ ቅድሚት ዝርከብ'ዩ። እቲ ግዚያዊ ቀዳማይ ሚኒስትር ግን ሓፈሻዊ መረጻ ንክካየድ ክጽውዕ ኣይኽእልን፤ ክሳብ ሓድሽ መራሒ ዝምረጽ ግን ጉዳያት በጀትን ውዕላትን ክመርሕን ከጸፍምን ይኽእል'ዩ። እዚ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቤ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ይኽእል'ዩ ዝብል ግምት ግን እቲ ሰልፊ ንዕኡ ዝትክእ ፕሬዝደንት ንክመርጽ ዘአንፍት እዩ። እዚ መረጻ ድማ ናብ ባእቶ ወከልቲ ብምምራሕ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ንክምረጽ ይገብር። እቲ ዝምረጽ ሰብ ድማ ክሳብ መወዳእታ እብረ ስልጣን ኣቤ መስከረም 2012 ኣብ ስልጣን ይጸንሕ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53931511"} {"headline":"ብሰንኪ ኮቪድ ዝተዓጸወ ቦታ፡ ሓደ በጻሒ ዓዲ ጥራይ ክኣትዎ ተፈቒድሉ","content":"ኣብ ፔሩ፡ ‘ማቹ ፒቹ’ ዝበሃል በብዓመቱ ብዙሓት በጻሕቲ ዓዲ ዝውሕዝሉ መስሕብ ቱሪዝም ኣሎ። እዚ ቦታ፡ ዑናታት ጥንታዊ ስልጣነ ህዝቢ ‘ኢንካ’ ዝሓዘ ኮይኑ፡ ሓደ ካብ ሓድጊታት ዓለም እዩ። ጃፓናዊ ጄሲ ታካያማ ድማ፡ ‘ማቹ ፒቹ’ ክርእይ እዩ ኣብ ወርሒ ጉንበት ናብ ፔሩ ኣትዩ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ድማ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝዝርገሓሉን ሃገራት ዕጽዋ ዝገብራሉን እዩ ነይሩ። ፔሩ ድማ፡ ን ‘ማቹ ፒቹ’ ሓዊሳ፡ በጻሕቲ ዓዲ ንዘዘውትርዎም ቦታታት ዓጸወት። ጄሲ ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ንሸውዓተ ወርሒ ተጸብዩ። ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ቦታ በይኑ ክሪኦ ተፈቒድሉ። ሚኒስተር ባህሊ ኣሌጃንድሮ ኒይራ፡ እቲ በጻሒ ዓዲ ን ‘ማቹ ፒቹ’ በይኑ ክርእዮ ዝተፈቐደሉ፡ ፍሉይ ፍቓድ ክወሃቦ ድሕሪ ምሕታቱ ከምዝኾነ ገሊጹ። እቲ ብዙሓት በጻሕቲ ዝውሕዝሉ ጥንታዊ ዑናታት፡ ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ሓደ መስሕብ ቱሪዝም ኮይኑ፡ ቀጻሊ ወርሒ ክኽፈት ትጽቢት ኣሎ። ጄሲ፡ ኣብ ፔሩ ቁሩብ መዓልታት ኣሕሊፉ፡ ነቲ ጥንታዉ ቦታ ርእዩ ክምለስ እዩ ነይሩ መደቡ። እንተኾነ፡ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ናይ ጉዕዞ ክልከላታት ምስተገበረ፡ ንሸውዓተ ኣዋርሕ ኣብ ጥቃ ‘ማቹ ፒቹ’ ኣብ እትርከብ ከተማ ክጸንሕ ተገዲዱ። ነቲ ቦታ ክርኢ ተሃንጥዩ መጺኡ ብምንባሩ፡ ቅድሚ ናብ ዓዱ ምምላሱ ክኣቱ ከምዝተፈቐደሉ፡ ሚኒስተር ባህሊ ናይ’ታ ሃገር ገሊጹ። ጄሲ፡ ብቀዳም እዩ ናብ ‘ማቹ ፒቹ’ ኣትዩ ርእዩ። ነቲ ነዊሕ ተጸብዩ ዝረኸቡ ዕድል፡ ኣብ ዝባን እቲ ጎቦ ወጺኡ ጸምቢልዎ። ብቪድዮ ድማ ሓጎሱ ገሊጹ። “እዚ ጉዕዞ ፍሉይ እዩ፡ የቐንየለይ” ኢሉ። ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅምር፡ ኣብ ፔሩ 849,000 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ኮይኖም፡ 33,000 ሰባት ድማ ሞይቶም።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54520349"} {"headline":"15 ሃገራት ዝዓበየ ንግዳዊ ሽርክና ንኽፈጥራ ተሰማሚዐን","content":"15 ሃገራት ካብ ዓለም ዝዓበየ ዞባዊ ቁጠባዊ ሽርክነት ንምግባር ተሰሚዐን። እዘን ኣስታት ሓደ መሰለስ ናይ ዓለም ቁጠባ ዝውንና ኣብ ኤስያን ሰለማዊ ውቅያኖስን ዝርከባ ሃገራት ነቲ ስምምዕ ዞባዊ ቀጽሪ ቁጠባዊ ሽርክነት (RCEP) ዝብል ስያመ እየን ሂበነኦ ዘለዋ። እዚ ደቡብ ኮርያ፡ ቻይና፡ ፓጃን ኣውስትራልያን ኒውዝላንድን ከምኡ’ውን 10 ሃገራት ደቡባዊ ምብራቅ ኤስያ ዝርከበኦ ስምምዕ ቁጠባዊ ሽርከንት: ቻይና ኣብቲ ዞባ ተጥርዮ ዘላ ተሰማዕነት ዘርእይ'ዩ ተባሂልሉ ኣሎ። እቲ ስምምዕ ነታ ኣብ 2017 ካብ ቁጠባዊ ስምምዕ ኤስያን ፓሲፍክን ዘንሳሓበት ኣሜሪካ ከምዘየጠቃልል ተፈሊጡ ኣሎ። ፕረዚንት ዶናልድ ትራምፕ ናብ ስልጣን ምስ ደየበ ከይደንጎየ ካብቲ ኣመሪካ ፈሪማቶ ዝነበት ቀጽሪ ቁጠባዊ ስምምዕ ኤስያን ፓሲፍክን ከምዘንሰሓበ ይዝከር። እዚ ሓድሽን ገዚፍን ቀጽሪ ቁጠባዊ ስምምዕ ካብ 2012 ጀሚሩ ክዝተየሉ ምጽንሑን ትማሊ ሰንበት እተን ሃገራት ክታመን ከምዘንበራሉን ተገሊጹ። እዚ ስምምዕ ንምንታይ እዩ ክሳብ ክንድዚ ኣገዳሲ ኮይኑ? ዞባዊ ቀጽሪ ቁጠባዊ ሽርክነት እተን ሃገራት ኣብ ንሓድሕደን ኣብ ዝገብርኦ ቁጠባዊ ንግዲ ውሑድ ታሪፍ ክህልዎ ዘፍቅድ ስለዝኾነ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝግበር ዝነበረ ቁጠባዊ ስምምዓት ዝተፈለየ ይገብሮ። እንተኾነ ብዙሓት ተንተንቲ ቁጠባ ልዕሊ እዚ፡ እቲ ቀጽሪ ሓቁፍወን ዘሎ ሃገራትን ሒዝዎ ዘሎ ብዝሒ ህዝብን ዝያዳ ኣገዳሲ ከምዝገብሮ ይገልጹ። ኣብ ኤስያን ሃገራት ፓሲፍክን ላዕለዋይ ክኢላ ቁጠባ ዝኾነ ራጂቭ ቢስዋስ “እተን ኣብዚ ከቲመን ዘለዋ ሃገራት ወነንቲ ብዙሕ ህዝቢ እየን፡ ቻይና እንድሕር ወሲድና ንቁጠባ እትን ኣብ ዞባዊ ቀጽሪ ቁጠባዊ ሽርክነት ከቲምን ዘለዋ ሃገራት ቁጠበአንን ዘቤታዊ እቶተንን ክብ ንኽብል ክሕግዝ ትኽእል እያ” ኢሉ። ቻይና ዋላ እኳ ብዙሕ ክልተኣዊ ቁጠባዊ ስምምዓት ኣቐዲማ እንተኸተመት እዚ ዞባዊ ቀጽሪ ዝሓቆፈ ቁጠባዊ ስምምዕ ክትክትም ግን እዚ ናይ መጀመርታኣ እዩ። እተን ሃገራት ነዚ ስምምዕ ንምንታይ’የን ደልየነኦ ? እዘን ሃገራት እዚ ስምምዕ እዚ ነቲ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝተሃሰየ ቁጠበአን ንምሕዋይ ክሕግዘን ከምዝኽእል እየን እምንቶ ኣንቢረን ዘለዋ። ቻይናዊ ሊ ኪጋንግ “ኣብ ትሕቲ እዚ ህሉው ኩነታት ዓለም እቲ ንሸሞንተ ዓመት ዝተዘተየሉ ዞባዊ ቀጽሪ ቁጠባዊ ሽርክነት ኣብ መደምደምታ ምብጽሑ ካብቲ ጸሊም ደበና ጩራ ተስፋ ዘርኢ እዩ” ኢሉ። ሊ ብምስዓብ ነቲ ስምምዕ “ብዙሕ ጎድናኣዊ ስምምዕን ነጻ ንግዲ ዝፈቅድን እዩ” ኢሉ። ህንዲ’ውን ኣካል እዚ ዘተ እኳ እንተነበረት፡ ውሑድ ታሪፍ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገራ እተፍርዮ ዘቤታዊ ምህርታ ክሃስዮ እዩ ብምባል ዝሓለፈ ዓመት ካብቲ ስምምዕ ምንስሓባ ይዝከር። እተን ነቲ ስምምዕ ዝፈረማ 15 ሃገራት ግን ሕጂን ንመጻእን ህንዲ ሓሳባ ቀይራ ነቲ ቀጽሪ ክትጽንበሮ እንተሓሲባ ማዕጾአን ርሑው ምዃኑ ገሊጸን ኣለዋ። ኣባላት ዞባዊ ቀጽሪ ቁጠባዊ ሽርክነት ሓደ መሰለስ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ዝሓቆፋን 29 ሚእታዊት ካብ ዓለማዊ ምህርቲ ሃለኽቲ ነገራት ዝቅርባ ምኳነን ይፍለጥ። እዚ ሓዱሽ ስምምዕ ካብቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካ ሜክሲኮን ካናዳን ከምኡ’ውን ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕበረት ዝፈጠረኦ ክልተ ቀጽርታት ዝዓበየ እዩ። ካብዚ ስምምዕ መን’ዩ ዝያዳ ክኸስብ? ፔተርሶን ዝተባሃለ ትካል ዓለምለኻዊ ቁጠባ እዚ ስምምዕ እዚ ኣብ 2030 ክሳብ 186 ቢልዮን ዶላር ጽሩይ ቁጠባዊ ንግድን ኣብ ነብሲ ወከፍ ኣብቲ ስምመዕ ዝኸተማ ሃገራት ድማ ናይ 0.2 ሚእታዊት ቁጠባዊ ዕቤት ከመዝግበለን ከምዝእል ቅማርኡ ኣቐሚጡ ኣሎ። እንተኾነ ገለ ገለ ተንተንቲ ቁጠባ እዚ ስምምዕ ዝያዳ ንቻይና፡ ጃፓንን ደቡብ ኮርያን ዘርብሕ ክኸውን ከምዝኽእል እዮም ዝትንትኑ። ክኢላ ቁጠባ ኒክ ማሮ “እቲ ዞባዊ ቀጽሪ ቁጠባዊ ሽርክነት ነተን ኣብ ደቡባዊ ምብራቅ ኤስያ ዘለዋ ሃገራት ውሱን ክኸውን ይኽእል እዩ ነተረን ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኤስያ ዘለዋ ሃገራት ግን ጉዳይ ሕድገት ታሪፍ ዘያዳ ከርብሐን ይኽእል እዩ” ይብል። እንተኾነ ሃገራት ነቲ ረብሕኡ ብጥረ ንኽርእየኦ ግዜ ክወስደለን ከምዝኽእልን ካብዘን ነቲ ስምምዕ ዝፈረማ እትን ትሽዓተ ሃገራት ነቲ ስምምዕ ናብ ተግባር ቅድሚ ምስጋሩ ብባይቶ ከጽድቆኦ ትጽቢት ስለዝግበር ተሃዊኽካ መደምደምታ ዝውሃቦ ከምዘይኮነ ኒክ ማሮ ይጠቅስ። ኒክ ማሮ ብምስዓብ “ከምዚ ዓይነት ስምምዓት ኣብ ባይቶ ከተጽድቆ ኣዝዩ ከቢድ እዩ” ይብል።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54957219"} {"headline":"ሰሜን ኮርያ፡ ክልተ ባላስቲክ ሚሳኤል ናብ ባሕሪ ጃፖን ተኲሳ ብምባል ጃፓንን ኣመሪካን ከሲሰን","content":"ሰሜን ኮርያ ክልተ ባላስቲክ ሚሳኤል ናብ ባሕሪ ጃፓን ቶኵሳ ክብላ ኣመሪካን ጃፓንን ሓቢረን፡ እዚ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንመጀመርታ ግዜ ዘጋጥም ዘሎ ክስተት እዩ። ባላስቲክ ሚሳኤል ሓደ ካብቶም ኣስጋእቲ ኣጽዋራት ኮይኖም፡ ሰሜን ኮርያ ኣቀዲማ ዝኾነ ፈተነ ባላስቲክ ሚሳኤል ከይትገብር ብሕቡራት ሃገራት ተኣጊዳ'ያ። ጃፓንን ደቡብ ኮርያን ነቲ ብሰሜን ኮርያ ዝተኻየደ ፈተነ ባላስቲክ ሚሳኤል ኮኒነንኦ ኣለዋ። ሰሜን ኮርያ ቅድሚ ክልተ መዓልታት'ውን ባላስቲክ ሚሳኤል ዘይኮነ ሚሳኤል ኣብ ብጫ ባሕሪ ፈተነ ኣካይዳ ነይራ እያ። ጃፓን ዋላ እኳ ነቲ ብሰሜን ኮርያ ዝተኻየደ ፈተነ ባላስቲክ ሚሳኤል እንተኾነነቶ፡ ኣብ ክሊ ማያ ዝኾነ ንጣር ናይቲ ባላስቲክ ሚሳኤል ከምዘይዓለበ ሓቢራ ኣላ። ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ እዚ ሓይሊ ኣመሪካ፡ ሰሜን ኮርያ ፈተነ ባላስቲክ ሚሳኤል ድሕሪ ምክያዳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ \"ሰሜን ኮርያ ትገብሮ ዘላ ፈተነ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ንጎረባብታን ንማሕበረሰብ ዓለምን ዘተሓሳስብ እዩ\" ኢሉ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነቲ ሰሜን ኮርያ ዘካየደቶ ፈተነ ባላስቲክ ሚሳኤል ኣመልኪቱ ብሕጂ እዩ ወግዓዊ መግለጺ ክህብ። መንግስቲ ኣመሪካ፡ ሰሜን ኮርያ ብሰሉስ ዘይባላስቲካዊ ሚሳኤል ፈተነ ምስ ኣካየደት፡ እቲ ዝተጠቐመትሉ ዓይነት ሚሳኤል ካብቲ ዝተኣገደ ስለዘይኮነ፡ ነቲ ፈተነ ከም ቶኵታኲ ተግባር ከምዘይሓስቦ ገሊጹ ነይሩ። ሰብ መዚ ጃፓን፡ ሰሜን ኮርያ ነቲ ባላስቲክ ሚሳኤል ብኣቆጻጽራ ሰዓት እቲ ከባቢ ልክዕ ሰዓት ሸውዓተ ናይ ንግሆ ከምዝተኰሰቶ ገሊጸም። እቲ ባላስቲክ ሚሳኤል ሚሳኤል ናብ ባሕሪ ጃፓን ቅድሚ ምዕላቡ ብቅደም ተኸተል 420 ኪሎ ሜተር ከምኡ'ውን 430 ኪሎሜተር ብምውንጫፍ ካብ ክሊ ማይ ናይ ጃፓን ወጻኢ ኣብ ዝኾነ ቦታ ዝኾነ ጉድኣት ከየስዓበ ከምዝዓለበ ተፈሊጡ። ሰሜን ኮርያ ቅድሚ ሓደ ዓመት ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕን መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጁንግ ኡንን ርክባቶም ምምሕያሽ ኣብ ዘርእየሉ ዝነበረ ተመሳሳሊ ፈተነ ኣካይዳ ምንባራ ዝዝከር እዩ። ምምሕዳር ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስ ሰሜን ኮርያ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ንምፍጣር ዝገበርዎ ፈተነ ዕውት ከምዘይኮነ ኣቐዲሞም ገሊጾም ነይሮም።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56519986"} {"headline":"ኣመሪካ፡ ሞዴርና ዝተባህለ ካልኣይ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ኣጽዲቓ","content":"መንግስቲ ኣመሪካ፡ ብሞዴርና ዝፈረየ ከም ካልኣይ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኮይኑ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ከም ዘጽደቖ ኣፍሊጡ። እዚ ብኣመሪካዊ ኩባኒያ ዝማዕበለ ክታበት ኮሮናቫይረስ፡ ብምምሕዳር መግብን መድሃኒትን እታ ሃገር ንምክልኻል ክውዕል ከጽድቕ እንከሎ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ድሮ ብሰፊሑ ዝተዘርግሐ ክታበት ፒፋይዘር\/ባዮንቴክ ኣጽዲቑ ምንባሩ ይፍለጥ። ኣመሪካ፡ 200 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ሞዴርና ክትዕድግ ተሰማሚዓ ከም ዘላን፡ ኣብዚ እዋን ድማ ሽዱሽተ ሚልዮን ናብ ኣመሪካ ክኣቱ ድልው ከምዘሎን ተፈሊጡ። እታ ሃገር ኣብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ቑጽሪ መልከፍትን ሞትን ዘለዋ ኮይና፡ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 313 ሽሕ ሰባት ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ክሞቱ እንከለው፡ ካልኦት ኣስታት 17.5 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኣለው። ኮሚሽነር ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን ስቴፋን ሃን፡ ክታበት ሞዴርና ትማሊ ከም ዝጸደቐ ብምሕባር፡ \"መዓልታዊ ኣብ ኣመሪካ ቑጽሪ ሕሙማትን ሞትን ክውስኽ ዝገብር ዘሎ ዓለማዊ ለበዳ ኣብ ምቅላስ ወሳኒ ስጉሚ'ዩ\" ኢሉ። ተቖጻጸርቲ መድሃኒት ክታበት ሞዴርና 94 ሚእታዊት ውጽኢታዊ ከም ዝኾነ ይሕብሩ። ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ክታበት ኣብ ረብሓ ክውዕል ከም ዝጸደቐ ዝሕብር ወግዓዊ መግለጺ ከይተዋህበ እንከሎ፡ \"እንቋዕ ደስ በለኩም፤ ሕጂ ክታበት ሞዴርና መጺኡ ኣሎ። ብቐጥታ ክጅምር'ዩ\" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። ሰኑይ ነዚ ክታበት ክወስድ ተዳልዩ ዘሎ ተመራጺ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብወገኑ፡ ክታበታት ሞዴርናን ፒፋይዘርን ፍቓድ ክረኽቡ ምኽኣሎም \"ኣብ ቅድመና ብሩህ መዓልታት ከም ዘለው ዘረጋግጽ'ዩ። ይኹን'ምበር ዝርግሐ እቲ ለበዳ ንምቁጽጻር እንገብሮ ቓልሲ ኣየብቅዐን\" ኢሉ። ብተወሳኺ፡ \"ንቕድሜና፡ ፍርያት ምዕባይን ናብ ኩሉ ምብጻሕን ከምኡ'ውን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣመሪካውያን ምኽታብ ዝብሉ ሓዊሱ ብዙሓት ማሕለኻታት ኣለው'ዮም። ስለ ዝኾነ፡ እዚ ኹሉ ንምግባር ዘኽእል ዓቕሚ ምህላው ከነረጋግጽ ይግባእ\" ኢሉ። ክታበት ሞዴርና ኣብ ዝጉዓዓዘሉ ኣብ 20 ዲግሪ ሴልሽየስ መዝሓሊ ክቕመጥ ኣለዎ። ፒፋይዘርን ኩባኒያ ጀርመን ባዮንቴክን ዝመሃዙዎ ክታበት ድማ 75 ዲግሪ ሴልሽየስ የድልዮ። ሞዴርና፡ ኣብ ኬምብሪጅ፣ ማስቻሴትስ ዝርከብ ኮይኑ \"መብዛሕትኡ\" እቲ ክታበት ኣብዚ ቦታ ክፈሪ'ዩ። ፒፋይዘር\/ባዮንቴክ ከኣ ኣብ ጀርመንን ቤልጅምን ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝፈሪ'ዩ። ኣመሪካ፡ ክሳብ ወርሒ ሚያዚያ 2021 ሓደ ሚልዮን ሰባት ክትኸትብ መደብ ኣለዋ። ሓላፊ ሃገራዊ ማእኸል ተላገብትን ሕማማት ኣሜሪካ ዶክተር ኣንቶኒ ፋውቺ፡ ካብ 70 ክሳብ 80 ሚኢታዊት ዝግመት ህዝቢ ኣመሪካ ሕማም ናይ ምጽዋር ዓቅሚ ንከማዕብል ግድን ክኽተብ ኣለዎ ይብል። ክታበት ሞዴርና ክጥቀማ ዝሓተታ ካናዳ፡ ብጠቕላላ 56 ሚልዮን ክታበት ዝኣዘዘት ኮይና፡ ክሳብ ወርሒ መጋቢት ክልተ ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ክትርከብ'ያ ብሪጣንያ፡ ኣቐዲማ ሸውዓተ ሚልዮን ኣዚዛ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ዝሓለፈ ወርሒ 80 ሚልዮን ክታበት ንምውሳድ ከም ዝተሰማምዐ ክገልጽ እንከሎ፡ እቲ ክታበት ውሑስን ውጽኢታውን ምዃኑ ምስኣረጋገጸ ተወሳኺ 80 ሚልዮን ከም ዝወስድ ገሊጹ ጃፓን፡ 50 ሚልዮን፣ ደቡብ ኮርያ 20 ሚልዮን፣ ስዊዘርላንድ 7.5 ሚልዮን ከም ዝኣዘዛ ማእኸል ምህዞ ዓለማዊ ጥዕና ዩኒቨርሲቲ ዱክ ዝኣከቦ ሓበሬታ የረደእ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/55361972"} {"headline":"ኣባል ሃገራት ጉጅለ-7፡ 40 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ ናይ ትምህርቲ ዕድል ክረኽባ ክገብራ እየን","content":"ኣባል ጉጅለ-7 ዝኾና ሃብታም ሃገራት፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ኣብ ድኻታትን ማእከላይ ኣታዊ ዘለወንን ሃገራት ዝርከባ ተወሰኽቲ 40 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክሰዳ ዘኽእል ስምምዕ ክገባራ እየን። ሚኒስተራት ጉዳያ ወጻኢ እተን ሃገራት ኣብ ለንደን ተራኺቦም ነቲ ገና ኣብ ምምዕባል ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ንምሕጋዝ ዝውዕል ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ዝወሃብ ናይ 15 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ስምምዕ ክገብሩ እዮም። ኣብቲ ኣብ ክልተ ዓመት ንፈለማ ግዘ ብኣካል ዝካየድ ኣኼባ፡ 20 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓሰርተ ዓመተን ምንባብ ክኽእላ ዝገብር ሓገዝ ንምግባር እውን ስምምዕ ክገብሩ ምዃኖም ተገሊጹ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ዶሚኒክ ራብ፡ ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ ምምሃር ጠቓሚ ወፍሪ ከምዝኾነ እዩ ዝሕብር። እቲ ሓድሽ ውጥን ን12 ዓመታት ብቐጻልነት ደቂ ኣንስትዮ ንምምሃር ከምዝሕግዝ ገሊጹ። ዓባይ ብሪጣንያ፡ ናይቲ ሃገራት ኣመሪካ፣ ፈረንሳይ፣ ጀርመን፣ ካናዳ፣ ጃፓንንን ጥልያንን ዝርከበኦ ጉጅለ ናይዚ እዋን ፕረዚደንት እያ፡፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ራብ፡ ቅድሚ እቲ ሰሉስ ዝጅመር ኣኼባ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ እተን ኣባል ሃገራት፡ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ተራኺቦም ብዛዕባ ንግዲ፣ ኢራንን ቻይናን ክዝትዩ እዮም፡፡ እቲ ረቡዕ ክፍረም ትጽቢት ዝግበረሉ ስምምዕ ምምሃር ደቂኣንስትዮ፡ ጾታዊ ማዕርነት ማእከል እቲ ካብ ጸቕጢ ኮቪድ ንምውጻእ ዝግበር ምትሕብባር ንምግባር ዝዓለመ እዩ፡፡ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ በዝሒ 796 ሚልዮን ዘይተምሃሩ ሰባት፡ ክልተ ሲሶ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾና ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት፡፡ ብተወሳኺ እቲ ኣሃዝ ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ገጠር ዝርከባ 39 ምኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ ናይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርተን ዝከታተላ ኮይነን፡ እዚ መጠን ካብቶም ኣብ ገጠር ኣብ ተመሳሳሊ ብርኪ ዝበጽሑ 45 ምኢታዊት ደቂ ተባዕትዮ፣ ኣብ ከተማ 59 ምኢታዊት ደቂ ኣንስትዮን 60 ምኢታዊት ደቂ ተባዕትዮን ዝነኣሰ እዩ። ቅድሚ እቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘጋደዶ ትሑት ውጽኢት ትምህርቲ፡ 90 ምኢታዊት ኣብ ድኻ ሃገራት ዝርከቡ ህጻናት ኣብ 10 ዓመቶም ቀሊል ጽሑፍኳ ከንብቡ ኣይክእሉን ነይሮም። ኣባል ሃገራት ጉጅለ-7፡ ኣብ ምሕላው ጾታዊ መሰልን ጥዕና ወሊድን ዝኣተወኦ ቃልኪዳን ከምዘሐድሳን፡ ምክልኻል ጾታ መሰረት ዝገበሩ ዓመጻት ከምዘሐይላን መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣፍሊጡ ኣሎ። መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ንፕሮጀክት ምጣነ ስድራ ሕቡራት ሃገራት ዝገብሮ ሓገዝ ነክዩ ተባሂሉ ኣብ ዝውቀሰሉ እዋን እዩ፡ እዚ ትልሚ ጉጅለ-7 ቀሪቡ ዘሎ። ኣብ ዓለም ብሚልዮን ንዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ መከላኸሊ ጥንስን ሕክምና ወሊድን ዝህብ ፖፑሌሽን ፈንድ ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስቲ ብሪጣንያ ክህቦ ቃል ዝኣተዎ ናይ 154 ሚልዮን ፖውንድ ናብ 23 ሚልዮን ፖውንድ ከምዘውረዶ ገሊጹ እዩ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56968489"} {"headline":"ጃፓናዊ ቢልዮነር፡ ብነጻ ምስኡ ኣብ ከባቢ ወርሒ ዑደት ዝገብሩ ሰባት ይደሊ ኣሎ","content":"ጃፓናዊ ቢልዮነር ያሱኩ ማእዛዊ ብኢሎን ሙስክ እትውነት ስፔስ ኤክስ ገይሩ ኣብ ከባቢ ወርሒ ንዝገብሮ ዑደት፡ ሸሞንተ ሰባት ከይከፈሉ ምስኡ ክጉዓዙ ዕድመ ኣቕሪቡ ኣሎ። ቢልዮነር ያሱኩ ማእዛዊ ኣብቲ ብትዊተር ብቪድዮ ኣሰንዩ ዝልኣኾ መልእኽቲ “እዚ ዕድመ ንኹሉ ህዝቢ ዓለም እዩ ዝምልከት፡ ካብ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዝመጽኡ ሰባት ክጽንበሩኒ ኸኣ’ዩ ድሌተይ” ብምባል ድሌት ዘለዎ ሰብ ነዚ ዕድል ተኻፋሊ ንኽኸውን ቅጥዕታትን ዝርዝራዊ ትሕስቶን ዝምልኦ ጥብቆ’ውን ኣብ ትዊተሩ ለጢፉ ኣሎ። ቢልዮነር ያሱኩ ማእዛዊ ኩሉ ወጻኢታት ባዕሉ ከምዝሽፍኖ ብምግላጽ እቶም ምስኡ ናብ ጠፈር ዝጉዓዙ ሸሞንተ ሰባት ዝኾነ ወጻኢታት ከምዘይብሎም’ውን ገሊጹ ኣሎ። እቲ ውጥን ናይ ጉዕዞ ኣብ 2023 ዝግበር ኮይኑ ‘ዲር ሙን’ ዝብል ስም’ዩ ተዋሂብዎ። እቶም ምስ ቢልዮነር ያሱኩ ማእዛዊ ናብ ወርሒ ክኸዱ ከመልክቱ ዝደልዩ ሰባት፡ ክልተ ክገብርዎ ዘለዎም ቅድመ ኩነት’ውን ቀሪብሎም ኣሎ። እቲ ቅድመ ኩነት፡ እቶም ናብ ከባቢ ወርሒ ምስ ቢልዮነር ያሱኩ ማእዛዊ ንክጉዓዙ ከመልክቱ ዝደልዩ ሰባት ንኻልኦት ሰባትን ንሕብረተሰብን ሓገዝቲ ክኾኑን፡ ምስቶም ንሕብረተሰብ ዝሕግዙ ካልኦት ሰባት ተዋሃሂዶም ዝልዓለ ነገር ንምስራሕ ድልውነት ዘለዎምን ክኾኑ ኣለዎም እዩ ዝብል። ቢልዮነር ያሱኩ ማእዛዊ “ነቲ ኣብታ ሞንኮርኮር ዘሎ ኮፍ መበሊ ንኹሉ ስለዝኸፈልክሉ፡ ኣብቲ ጉዕዞ ኣነን እቶም ነዚ ዕድል እዚ ዝሕረዩ ሸሞንተ ሰባትን ጥራይ ኢና ክንህሉ” ኢሉ። ያሱኩ ማእዛዊ ኣብ ፋሽን ዓቢ ስም ዘለዎን ስነ ጥበባዊ ቅርስታትን ኣብ ምእካብን ዝነጥፍ ኮይኑ፡ ኣብ መጀመርታ ብውሩያት ስነጥበባውያን ተሰንዩ እዩ ነቲ ኣብ ከባቢ ወርሒ ዝግበር ዑደት ከካይዶ ወጢኑ ነይሩ “ድሒረ ምስ ሓሰብክዎ ግን ንመላእ ህዝቢ ዓለም ዕድመ ኣቕሪበ ዝተፈላላየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሸሞንት ሰባት ምምራጽ ይሓይሽ ዝብል ሓሳብ ዝበለጸ ኮይኑ ረኺበዩ” ይብል። ቢልዮነር ያሱኩ ማእዛዊ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ጓልን ንምጻኢ ዓርኩ ትኾነኖን ኣብቲ ጉዕዞ ምስኡ ክትኸይድ ድልያ ጀሚሩ ነይሩ እዩ ድሒሩ ግን ነቲ ሓሳብ ‘ጠንጢነዮ’ ኣለኹ ኢሉ ገዲፍዎ። ኣብ 2018 ቢልዮነር ያሱኩ ማእዛዊ ናይ መጀመርታ በታ ብኢሎን ሙስክ እትውነን ስፔስ ኤክስ ናብ ህዋ ክበርር ውጥን ዝሓዘ ውልቀ ሰብ ተባሂሉ ሽሙ ብኽብሪ ሰፊሩ ይርከብ። ቢልዮነር ያሱኩ ማእዛዊ ኣብ ከባቢ ወርሒ ዑደት ኣካይዱ ንኽምጽእ ንትካል ኢሎን ሙስክ ክንደይ ክኸፍል ከምዝተሰማማዐ ክሳብ ሕጂ ኣይተነገረን ዘሎ፡ እንተኾነ ብመሰረት ኢሎን ሙስክ ዘተንበሆ እንተኾይኑ “ኣዝዩ ብዙሕ ሰልዲ እዩ”። እዚ ኣብ 2023 ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ዑደት ኣብ ከባቢ ወርሒ ተግባራዊ እንተኾይኑ፡ ሰብ ዝጽዓነት መንኮርኮር ኣብ ከባቢ ወርሒ ዑደት ከተካይድ ድሕሪ 1972 እዚ ናይ መጀመርታ እዩ ክኸውን።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/56262196"} {"headline":"“ኣብ 2021 ዝካየድ ውድድር ኦሎምፒክ ስታድዮማት ብተዓዘብቲ ከምዝመልእ ርግጸኛ እየ”ቶማስ ባች","content":"ላዕለዋይ ሓላፊ ዓለምልኻዊ ኮሜተ ኦሎምፒክ ቶማስ ባች ኣብቲ ኣብ ቶክዮ ዝካየድ ኦሎምፒክ ተዓዘብቲ ክህልዉ ከምዝኾኑ ‘ኣዝየ ርግጸኛ’የ’ ኢሉ። ቶማስ ባች፡ ዓለምለኻዊ ኮሜተ ኦሎምፒክ ተዓዘብቲ ቅድሚ ናብ ሜዳ ምእታዎም መርመራ ኮሮናቫይረስ ንኽገብሩ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ኣጽዒቑ ይሰርሕ ምህላዉ እዩ ዝሕብር። ቶማስ ባች እቲ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ጃፓን ዝካየድ ውድድራት ኦሎምፒክ ብኸመይ ኣገባብ ክተሓዝ ኣለዎ ንምዝታይ ኣብ ቻፓን እዩ ዝርከብ። ውድድራት ኦሎምፒክ ከምቲ ንቡር ውጥኑ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ክጅምር እኳ እንተነበሮ ብሰንኪ ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫረስ ናብ ዘመጽእ ዓመት ምስተሰጋገረ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2021 ብወግዒ መጋረጅኡ ክኸፍት’ዩ ውጥን ተታሓሒዝሉ ዘሎ። ኣብዚ ኣብ ኣርባዕተ ዓመታት ሓንሳብ ዝካየድ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተናወሐ ውድድር ኦሎምፒክ፡ ካብ ኣስታት 200 ሃገራት ዝተዋጽኡ ልዕሊ 11,000 ስፖርተኛታት ክሳተፍዎ እዮም። ቶማስ ባች ምስ ቀዳማይ መኒስተር ጃፓን ዮሺሂደ ሱጋ ድሕሪ ምርኻቡ ምስ ኤኤፍፒ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት “ኩሉ ዘለና ኣዋሃሂድና እዚ ወድድር ብውሑስ ኣገባብ ንኽካየድ እቲ ክግበር ዘለዎ ኩሉ ዓይነት ነገር ክንገብር ኢና” ኢሉ። “እዚ ኣብ ግምት ኣእትየ እየ ኣብዚ ኣብ ዝምጽእ ዓመት ዝካየድ ውድድራት ኦሎምፒክ ብርእሰ ተኣማንነት ስታድዮማትና ብተዓዘብቲ ክመልኡ እዮም ዝብል ዘለኹ” ቶማስ ባች ኣብቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ጃፓን ዝተኻየድ ኣሽሓት ተዓዘብቲ ዝነበርዎ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጽኡ 22 ስፖርተኛታት ዝተሳተፍዎ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር’ውን ተዓዚቡ ነይሩ’ዩ። ኣብቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዝተኻየደ ውድድር እቶም ኣትሌታት ቅድሚ ክልተ ሰሙን ምጅማር እቲ ውድድር ናብ ጃፓን ብምእታው ኣብ ፍሉያት ሆቴል ከምዝውሸቡ እዮም ተገይሮም። ናብ ውድድር ክኣትዉ እንከለዉ’ውን መርመራ ይግበሮሎም ነይሩ። ዓለምለኻዊ ኮሚተ ኦሎምፒክን መንግስቲ ጃፓንን እቲ ውድድር ካብ 2021 ከይናዋሕ ኣትሪሮም እዮም ዝቃለሱ ዘለዉ። ላዕለዋይ ሓላፊ ውድድራት ኦሎምፒክ ቶክዮ ቶሺሮን ሙቶ ካብ ፈለማ እቲ ውድድር ብዘይ ተዓዘብቲ ንኸይካየድ እዩ ክካታዕ ጸኒሑ። እቲ ክቀርብ ዝጸንሐ ሕርያታት ድማ ውሱናት ተዓዘብቲ ክህልዉን ምስ ስፖርተኛታት ናብቲ ውድድር ዝምጽኡ ልኡኻትን ኣሰነይትን ቁጽሮም ክውሕድን ዝብል እዩ ነይሩ። ቶማስ ባችን ሚኒሰትር ኦሎምካዊ ውድድራት ጃፓን ስይኮ ሓሺሞቶን እቲ ውድድር ኮቪድ ይሃሉ ኣይሃሉ ኣብ 2021 ክካየድ ከምዘለዎ’ዮም ጸቂጦም ዝዛረቡ። ኣብ ዝመጽእ ሓደ ዓመት ውጽኢታዊ ዝኾነ ክታበት ክርከብ እዩ ዝብል ተስፋ ኣዝዩ ውሑድ እዩ፡ እንተኾነ ፒፍዘርን ባዩኤንተክን ዘማዕበልዎ ክታብት 90 ሚእታዊት ውጽኢታውነት ኣርእዩ ስለዝተብሃለ ነቲ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ክካየድ ውጥን ተታሐዝሉ ዘሎ ውድድር ኦሎምፒክ ተስፋ ዘይህብ ኣይኮነን።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54958322"} {"headline":"ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ሓሙኽሽቲ ሬስኡ ኣብ ባሕሪ ዝተበተነ ጃፓናዊ መራሒ","content":"ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ ነቲ ኣብ 1941 ኣብ ፐርል ሃርበር ንዝነበረ መዓስከር ኣመሪካ ክጥቃዕ መምርሒ ዝሃበ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን፡ ብገበን ኵናት ምስ ተቐትለ፡ ጃፓናውያን ደገፍቱ ኣብ መቓብር ከም ጅግና ንኸይጭድሩ ብሓዊ ዝነደደ ሬስኡ ኣብ ሰለማዊ ውቅያኖስ ከምዝተበተነ ሰነዳት ኣመሪካ ይሕብሩ። ኣብ 1948 ንሱን ሽዱሽተ ካልኦትን ብናይ ውግእ ገበን ድሕሪ ምቕታሎም ሬስኦም ብሓዊ ነዲዱ፤ ብድሕሪኡ ብነፋሪት ኵናት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓምዅሽቲ ሬስኦም ኣብ ውቅያኖስ ተበቲኑ። ። ኣብ ኒሆን ዩኒቨርሲቲ ቶክዮ ዝምህር ጃፓናዊ ሂሮኣኪ ታካዛዋ፡ ነቲ ምስጢራዊ ሰነድ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ መዛግብቲ ኣመሪካ ረኺቡዎ። ኣብ ሰራዊት ኣመሪካ፡ ማጆር ሉተር ፍሬርሰን፡ ኣብቲ ቶጆን ካልኦት ገበነኛታት ዝተባህሉ ብጾቱን እተፈርዱሉ እዋን ብ23 ታሕሳስ 1948፡ \"ሬሳ ናይቶም ገበነኛታት ኵናት ተቐቢለን ተቖጻጺረን፡ መብራህቲ ካብ እተገጥመላ ነፋሪት ውግእ ካብ ሰማይ ኣብ ፓስፊክ ውቅያኖስ ከም ዝበተንክዎ ምስክር እየ\" ይብል እቲ ሰነድ ። ኣብ ታሕቲ ከኣ ስም ናይ ሂድኪ ቶጆን ዝርከቦ ናይ ሸውዓተ ሰባት ኣስማት ሰፊሩ ኣሎ። ማጆር ፍሬርሶን እቶም 'ገበነኛታት' ክቕተሉ እንከለዉ ከም ዝረኣየን፡ ነቲ ብሓዊ ዝነደደ ሓሙኽሽቲ ሬሳኦም፡ ኣብ ፍልይቲ ነፋሪት ጽዒኑ፡ ባዕሉ \"ካብ ዮኮሃማ ብሸነኽ ምብራቕ ኣብ ዝርከብ ሰላማዊ ውቅያኖስ፡ ብገምጋም ኣስታት 48 ኪሎ ሜተር ኣብ ዝርሕቀቱ ሰፊሕ ባሕሪ በቲነዮ\" ክብል ጽሒፉ። ፍሪሰን ወሲኹ፡ እቲ ሬሰኦም ዝተቓጸለሉ እቶን እውን ዝኾነ ነገር ከይተረፈ ብምሉኡ ከምዝፈረሰን ከም ዝተጸርገን፡ ዝነኣሰ ነገር እኳ ንከይተርፍ ዕሽሽ ከምዘይበሉዎ ይገልጽ። ነቲ ሰነድ ዝረኸበ መምህር ዩኒቨርሲቲ ጃፓናዊ ሚስተር ታካዛዋ ንማዕከናት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ፡ ንደገፍቲ ቶጆ ሓምዅሽቲ ሬሳኡ እወን ንከይረኽቡ ዝከኣሎም ከም ዝገበሩ ገሊጹ። \"ሰራዊት ኣመሪካ፡ [ገሊኦም ደገፍቲ] ነቲ ሬሳታት ከም ሓወልቲ ጅግንነት ከየድንቑዎ ናብ ክሊ ጃፓን ክመልሶ ኣይደለየን። ሬሳታቶም ንጃፓን ምምላስ ማለት ከም ናይ መወዳእታ ውርደት ገይሮም ከምዝረኣዩዎ እየ ዝሓስብ\" ድማ ይብል። ሂደኪ ቶጆ፡ ነቲ ጃፓን ኣብ ልዕሊ ኣመሪካን ኤውሮጳውያን ሓይልታትን እተካይዶ ዝነበረት መጥቃዕትን ምስፍሕፋሕን ብቓሉ ደጊፉዎ እዩ። ይኹን እምበር ዋላ እውን ሬሳ እቶም ዝተቐትሉ ሰባት እንተዘይተረኽበ [ዝኽሮም] ኣብቲ ኣብ ጃፓን ዝርከብ ያሱኩኒ ዝብሃል ኣካታዒ ቤተ መቕደስ ሰፊሩ ኣሎ። ቤተ መቕደስ ሽንቶ፡ ነቶም ሃገረ ጃፓን ብ1866 ካብ እትምስረት ንነጀው ምእንቲ ሃገሮም ናይ ዝወደቑ ኣስታት 2.5 ሚልዮን ነፍሳት ጃፓናውያን ሰብኡት፡ ኣንስትን ቖልዑን እንኮላይ ነቶም ከም ቀዳማይ ምኒስተር ቶጆ ዝኣመሰሉ ጕጅለ ገበነኛታት ኲናት ተባሂሎም እተፈርዱ እውን ተወፍዩ ኣሎ። እቶም ማናውያን ፖለቲከኛታት ከም ምልክት ሃገራውነት ገይሮም እዮም ዝርእይዎ። እቶም ኣብ ጸጋማውያን፡ ግዳያት ሃጸያዊ ወራራት ጃፓን፡ እንተላይ ኣብ ቻይናን ደቡብ ኮርያን ዝርከቡ ሰባት ግና ነቲ ኣብ ጃፓን ዝነበረ ወተሃደራዊ ኵነታት ንምኽባር ተባሂሉ ከም ዝተገብረ እዮም ዝርእዩዎ። ህድኪ ቶጆ መን እዩ ነይሩ ? ሂደኪ ቶጆ፡ ኣብ ሰራዊት ኢምፐርያል ጃፓን ዘገልገለ፡ ካብ 1941 ክሳዕ 1944 ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ዝነበረ ጀነራል እዩ። ንሱ ንምስፍሕፋሕን ዕቤትን ጃፓን ዝድግፍ፡ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካን ገዛእቲ ኤውሮጳን ብቓላት ንኵናት ዝተዂቶኸ፡ ነቲ ብ7 ታሕሳስ 1941 ኣብ ልዕሊ ፐርል ሃርበር ጃፓን ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ እተፈነወ መጥቃዕቲ ብሓላፍነት ዝመርሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን እዩ። ብሰንኪ መጥቃዕቲ ሃርበር ከኣ ኣመሪካ ናብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብወግዒ ተጸንቢራ። ጃፓን ከኣ ኣብ ደቡብ ምብራቕ እስያን ኣብ ፓሲፊክን ዝነበራ ግዝኣት ስኢና። እቲ ኵናት ኣንጻር ረብሓ ጃፓን ምስ ከደ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ቶጆ ደገፍ ሃጸይ ሂሮሂቶ ስኢኑ ብ1944 ካብ ስልጣኑ ክወርድ ተገደደ። ኣመሪካ ኣብ ከተማታት ሂሮሺማን ናጋሳኪን ኣቶማዊ ቦምብ ብምድርባይ ከቢድ ዕንወት ምስ ፈጸመት ጃፓን ኣብ መስከረም 1945 ብዘይ ቅድመ-ኵነት ኢዳ ሃበት። ቀዳማይ ሚኒስተር ቶጆ ከኣ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ዙርያ ቤቱ ምስ ቀረቡ ዘይዕውት ፈተነ ቕትለት ኣካይዱ ግን ተታሒዙ። ቶጆ ብ1948 ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ኲናት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኵናት ብምውልዑን ኣብ ልዕሊ ምሩዃት ኲናት ኢ-ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ስለ ዝገበረለን \"ገበነኛ ኵናት\" ተባሂሉ ብሞት ተፈሪዱ። ኣብታ ወርሒ ሕዳር ናይታ ዓመት ክመውት ተፈሪዱዎ ኣብታ ዝሰዓበት ወርሒ ብማሕነቕቲ ሞይቱ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57495185"} {"headline":"ኦሎምፒክ ቶክዮ 2020 ብዕጽው ክካየድ ከምዝኽእል ተገሊጹ","content":"ተናዊሑ ዝጸንሐ ውድድር ቶክዮ ሎሚ ዓመት ኣብ ጃፓን እንተዳኣ ዝካየድ ኮይኑ ብዘይተመልከትቲ ብዕጽው ክካየድ ከምዝኽእል ሓላፊ ኣትሌቲክስ ሎርድ ኮኢ ገሊጹ። ኣብቲ መደብ፡ ውድድራት ኦሎምፒክን ፓራኦሎምፒክን ክስረዙ ምዃኖም ታይምስ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ኣትሌቲክስ ግና ከምዝካየዱ እምነት ኣለዎ። ድሙቕን ብያዕያዕታ ደገፍትን ዝተደገፈ ውድድር ክህልዎም ከምዝደልዩ ዝገለጸ ኮኢ፡ \"ኮይኑ ግና ግድን ኣብ ዕጹው ስታድዮማት ክካየድ እንተዳኣ ሃልይዎ ግን ኩሉ ሰብ ዝቕበሎ ይመስለኒ\" ኢሉ። ኣባል ዓለምለኻዊ ኮሚቴ ኦሎምፒክን ሓላፊ ኣዳላዊት ኮሚቴ ለንደን 2012 ኮኢ፡ ቶክዮ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ኦሎምፒክ ክተዳሉ ተባሂሉ ኣብ 2024 ኣብ ፓሪስ ዝካየድን 2028 ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ዝካየዱን ኦሎምፒካት ምድፋእ ልክዕ መፍትሂ ከምዘይኮነ ተዛሪቡ ነይሩ። እቲ ኣብ 2020 ክካየድ ዝነበሮ ውድድር ቶክዮ፡ እቶም ኣዳለውቲ ብምኽንያት ኮሮረናቫይረስ ናብ 2021 ክሰግር ገይሮምዎ። ኮይኑ ግና ኣብታ ህጹጽ ግዘ ኣዊጃ ዘላ ጃፓን ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብዝሒ መልከፍቲ ኮሮረናቫይረስ ይውስኽ ብምህላዉ ክካየድ ምዃኑ ኣጠራጣሪ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ መንግስቲ እቲ ውድድር ክስረዝ ምዃኑ ከምዝገለጸ ጋዜጣ ታይምስ ሓቢሩ ነይሩ። ኣዳለውቲ ቶክዮ 2020 ግና ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ዮሺሂድ ሱጋ፡ ውድድራት ኦሎምፒክስ ፓራኦሎምፒክን ክካየድ ጽኑዕ ድልየት ከምዘለዎን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት እውን ትኹረት ሂቦም ይሰርሑ ምህላዎምን ሓቢሮም። እቲ ውድድራት ተሰሪዙ ዝብል ሓቂ ከምዘይኮነ ድማ ዓለም ለኻዊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ገሊጹ። ኮሚቴ ፓራኦሎምፒክ ብተመሳሳሊ እቲ ውድድር ክካየድ ምዃኑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣመልኪቱ። ውድድር ኦሎምፒክ 23 ሓምለ ዝጅመር ኮይኑ፡ ፓራኦሎምፒክ ድማ 24 ነሓሰ ክጅመር እዩ። ዋና ፈጻሚ ቶክዮ 2020 ቶሺሮ ሙቶ፡ ዓለማዊ ምብጻሕ ክታበት ኮሮናቫይረስ ነቲ ውድድር ንምስላጥ ወሳኒ ረቛሒ ከምዝኾነ ይገልጽ። \"ኣብ ኣመሪካን ኣውሮጳን ክታበታት ብሰፊሑ እንተተባጺሑ፡ ኣብቶም ውድድራት ኣወንታዊ ተራ ከምዝህልዎ ዘጠራጥር ኣይመስለንን\" ኢሉ። ኮይኑ ግና፡ ውሳነኦም ኣብ ክታበት ጥራይ ከምዘይምርኮስ ተዛሪቡ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55786332"} {"headline":"ኣመሪካ፡ 'ዩናይትድ ኣየር ላይንስ' 24 ነፈርቱ ካብ ስራሕ ደው ኣቢልወን","content":"ዩናይትድ ኣየርላይንስ ብቀዳም ሓንቲ ካብ ነፈርቱ ኣብ ሰማይ እንከላ ሓደ ሞተራ ስለዝተፈንጀረ፡ ኣብ ስራሕ ካብ ዝነበረ 24 ቦይንግ 777 ነፈርቱ ደው ክብላ ከምዝኣዘዘ ኣፍሊጡ። ብቀዳም 231 ገያሾን 10 ኣባለት በረራን ሒዛ ካብ መዓርፎ ነፍርቲ ዴንቨር ዝተበገሰት ብዩናይተድ ኣየርላይንስ እትውነን ነፋሪት፡ ኣብ ሰማይ እንከላ ሓደ ሞተራ ብሓዊ ክቃጸል ስለዝጀመረ ስብርባር ናይቲ ሞተር ኣብ መንብሪ ኣባይቲ ምውዳቁ ይዝከር። እታ ነፋሪት እቲ ሓደጋ ምስ ኣጋጠማ ናብቲ ዝተበገሰትሉ መዓርፎ ነፈርቲ ተመሊሳ ብሰላም ክትዓልብ ክኢላ እያ። ድሕሪ እዚ ክስተት እዚ: ጃፓን ተመሳሳሊ ሞተር ዘለወን ቦይንግ 777 ብሰማያታ ከይበራ ኣጊዳ ኣላ። ቦይንግ ብወገኑ ኣብቲ ጃፓን ዝወሰነቶ እገዳ ተቓውሞ ከምዘይብሉ ብምግላጽ፡ እኹል መርመራ ክሳብ ዝግበር ተመሳሳሊ ሞተር ዘለወን ቦይንግ 777 ካብ ስራሕ ደው ኢለን ክጸንሓ ተማሕጺኑ ኣሎ። ኣብ መላእ ዓለም ተመሳሳሊ ሞተር ዝጥቀማ (ምስዛ ኣብ ሰማይ እንከላ ሓደ ሞተረኣ ዝተቃጸለ) 69 ቦይንግ 777 ከምዘለዋ'ውን እቲ ትካል ገሊጹ ኣሎ። ምምሕዳር ፌደራል ኣቬሽን፡ የማናይ ሞተር ናይታ ነፋሪት ከምዝተቃጸለ ብምሕባር፡ እተን ልክዕ ከምዛ ነፋሪት ፕራት ኣንድ ዊትኒ 4000 ዝዓይነቱ ሞተረር ዝጥቀማ ነፈርቲ እኹል መርመራ ክግበረለን ከምዝኣዘዘ ገሊጹ ኣሎ። ብቁጽሪ በረራ 328 ትበርር ዝነበረት እዛ ነፋሪት፡ ብመገዲ ኣየር ዩናይትድ ትውነን ቦይንግ 777 እያ። 'ፖሊስ ናይ'ታ ጥቃ ከተማ ዴኒቨር እትርከብ ከተማ ብሩምፊልድ፡ እቲ ስብርባር ዝዓለበሉ ቦታታት ብስእሊ ኣሰንዮም ኣብ ፌስቡክ ዘርጊሐሞ። ኣብ'ታ ነፋሪት ዝነበሩ ተጓዓዝቲ፡ እታ ነፋሪት ኣብ ሰማይ ነዊሕ ከይከደት 'ብርቱዕ ድምጺ ምፍንጃር' ከምዝሰምዑ ተዛሪቦም። ሓደ ካብቶም ኣብ'ታ ነፋሪት ተሳፊሮም ዝነበሩ ገየሽቲ ንወኪል ዜና ኤፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብርቱዕ ድምጺ ኣብ ዝተሰማዓሉ፡ እቲ ኣብራሪ ብመጉልሒ ጽምጺ ንተጓዝቲ ሓበሬታ ይህቦም ከምዝነበረ ገሊጹ። እቲ ደቪድ ድሉቸሽያ ዝተብሃለ ተጓዓዚ \"እታ ነፋሪት ብኸቢድ ክትሕቆን ጀሚራ፡ ካብቲ ንኸዶ ዝነበርና ብራኸ ኸኣ ንታሕቲ ገጽና ክንንቆት ጀሚርና\" ኢሉ። ወሲኹ ድማ፡ ንሱን ብዓልቱ ቤቱን ምናልባት እታ ነፋሪት እንተወዲቓ ሬሰኦም መታን ክልለ፡ ነቲ ንመንነቶም ዝገልጽ ወርቓቕቲ ኣብ ጅበኦም ከምዘቐመጥዎ ሓቢሩ። ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርገሐ ኣሳእል፡ እታ ነፋሪት ኣብ ሰማይ እንከላ ካብ ሓደ ሞቶራ ትኪ ይወጽእ ምንባሩ የርኢ። ሓደ ኣብ ውሽጢ እታ ነፋሪ ኮይኑ ዝሰኣሎ ተንቀሳቃሲ ምስሊ'ውን ሓደ ሞተር ናይ'ታ ነፋሪት ሓዊ እናተቓጸለ የርኢ። እቲ ክስተት ብኣቆጻጽራ ከባቢ ኮሎራዶ፡ ቀዳም ከባቢ ሰዓት 1 ናይ ድሕሪ ቀትሪ እዩ ኣጋጢሙ። ፖሊስ ከተማ ብሩምፊልድ፡ ነበርቲ ወዲቑ ንዝጸንሖም ክፋል ሞተር ናይ'ዛ ነፋሪት፡ መታን ንጠንቂ እቲ ባርዕ ንምፍላጥን ንመርመራ ክሕግዝን፡ ብኢዶም ከይትንክፉ ተማሕጺኖም ኣለዉ። ሓንቲ ነባሪት ብሩምፊልድ ንሲኤንኤን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዝተበታተነ ክፋል ናይ'ቲ ሞተር ካብ ሰማይ እናወረደ እንከሎ ብዓይና ከምዝርኣየቶን ምስ ደቃ ኣብ ከውሊ ከምዝተሓብአትን ንሲኤንኤን ገሊጻ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56151085"} {"headline":"ምንቁልቋል መጠን ወሊድ ዘሻቐላ ጃፓን መጻምድቲ ንዘራኽብ ኮምፒተራዊ ምህዞ ተተባብዕ","content":"ጃፓን ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ምንቁልቋል መጠነ ወሊድ ንምብርባር፡ መንእሰያት ጃፓን መጻምድቲ ንኽረኽቡ ዝሕግዝ ኮምፒተራዊ ምህዞታት ንዘተኣታትዉ ገንዘባዊ ድጎም ከምእትገብር ገሊጻ። ብመንገዲ ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ መጻምድቲ ከራኸቡ ንዝጀመሩ ወይ ከኣ ክጅምሩ ዝሓስቡ ካብ ዝምጽእ ዓመት ኣትሒዙ ንምህዞኣዊ ስርሓቶም ገንዘባዊ ድጎማ ከምዝገብር’ዩ መንግስቲ ፓጃን ሓቢሩ ዘሎ። ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጃፓን ኣብ ሓደ ዓመት ናይ ዝተወለዱ ህጻናት ቁጽሮም ትሕቲ 865,000 ብምኳኑ ዝወሓደ ተባሂሉ ተመዝጊቡ ኣሎ። እታ ዝወሓደ መጠን ምርባሕ ከምዘለዋ ዝንገረላ ጃፓን፡ መጠን ወሊድ ንምውሳኽ መንገድታት ኣብ ምንዳይ እያ ጸኒሓ። ብመንግዲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ መጻምድቲ ምርኻብ ከኣ ከም ሓደ ኣማሪጺ ገይራ ወሲዳቶ ኣላ። ሰብ መዚ ጃፓን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ንተመሳሳሊ ምህዞኣዊ ስርሓት ኣርተፉሻል ኢንተለጀንስ ዝውዕል 2 ቢልዮን የን (19 ሚልዮን ዶላር) ከምዝሰልዑ ኤኤፍፒ ገሊጹ። ብዙሓት ጃፓናውያን፡ ኣብተን ኣቐዲምን መጻምድቲ ኣብ ምርኻብ ዝሰርሓ ዝነበራ ምህዞኣውያን ስርሓት ዝርዝራዊ ጠለባቶማ ኣስፊሮም ኣለዉ። እተን ኣቀዲምን መጻምድቲ ከራኽባ ዝተሰረሓ ኮምፒተራዊ ስርሓት፡ ከም ወርሓዊ ወይ ዓመታዊ ኣታዊታን ዕድመን ዝፈልያ ስለዘይነበረ ሕጽረታት ከምዝነበረን እዩ ዝንገር። ማዕከናት ዜና ጃፓን እዚ መንግስቲ ክድጎሞ ተመባጺዑ ዘሎ ምህዞ፡ ከም ባህርን ክብርታትን ናይ ውልቀ ሰባት’ውን ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጸን። ሓደ ካብ ካቢነ ጃፓን ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “ንሕና ነቶም ኣብ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ተሞርዂሶም መጻምድቲ ንምርኻብ ዝሕግዝ ምህዞታት ዝሰርሑ ኢና ክንደድጉም፡ እዚ ኸኣ ነቲ ኣንቆልቊሉ ዘሎ መጠን ወሊድ ናይ ጃፓን ክብ ከብሎ ተስፋ ገይርና ኣለና” ኢሉ። ኣብ 2017፡ 128 ሚልዮን ዝነበረ ብዝሒ ህዝቢ ጃፖን ኣብ መወዳእታ እዚ ክፍለ ዘመን ብ53 ሚልዮን ክጎድል ከምዝኽልእ እዩ ግምታት ዘሎ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55226799"} {"headline":"ኦሎምፒክ ቶክዮ፡ ኮሮናቫይረስ ይሃሉ ኣይሃሉ ካብ 2021 ኣይክናዋሕን’ዩ ተባሂሊ","content":"እቲ ኣብ 2020 ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ውድድራት ኦሎምፒክ: ኮሮናቫይረስ ይሃሉ ኣይሃሉ ኣብ 2021 ከምዝካየድ ምክትል ፕረዚደንት ዓለምለኻዊ ኮሚተ ሓቢሩ። ምክትል ፕረዚደንት ዓለምለኻዊ ኮሚተ ውድድራት ኦሎምፒክ ጆን ኮትስ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል እቲ ውድድር ካብ 23 ሓምለ 2021 ጀሚሩ ከምዝካየድ ተዛሪቡ። እቲ ውድድር ኣብ ሓምለ 2020 ክካየድ እኮ እንተነበሮ ብሰንኪ ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንሓደ ዓመት ክናዋሕ ከምዝተወሰነ ዝዝከር እዩ። እቲ ኮሚተ ውድድራት ኦሎምፒክ እቲ ውድድር ካብ 2021 ፈጺሙ ከምዘይናዋሕ እዩ ዝገልጽ ዘሎ። “እቲ ውድድር ኣብቲ ተመዲብዎ ዘሎ ግዜ ክካየድ እዩ፡ ጃፓን ነቲ ብሰንኪ ኣብ 2011 ዘጋጠመ ማዕበል ሱናምን ምንቅጥቃጥ ምድርን ዝዓነወ ትሕተ ቅርጻ ኣተዓራርያቶ ስለ ዘላ ነቲ ውድድር ዝዕንቅፍ ዝኾነ ነገር ኣይክህሉን’ዩ” ይብል ጆን ኮትስ። ኣብ ወርሒ ሓምለ ላዕለዋይ ጃፓናዊ ሓላፊ ናይቲ ውድድር: ቶሺሮ ሙቶ: እቲ ውድድር ብውሑዳት ተዓዘብቲ ክካየድ ከምዝኽእል ኣአንፊቱ ነይሩ’ዩ። እቲ ሓለፊ ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብምትሕሓዝ እቲ ውድድር ተዓዘብቲ ዘይብሉ መኽፈትን መዕጸውን መደባት ብምግባርን ናብቲ ውድድራት ዝምጽኡ ኣሰነይቲ ብምውሓድን ክካየድ ከምዝኽእል ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ እዩ። ኣብቲ ኣብ 2020 ክካየድ ዝነበሮ ውድድራት ኦሎምፒክ ካብ ኣስታት 200 ሃገራት ልዕሊ 11 ሽሕ ስፖርተኛታት ክሳተፉ እዩ ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ። እንተኾነ ብዙሓት ሃገራት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዶባተን ዓጽየንን ዓለምለኻዊ በረራታት ደው ኣቢለን ስለዘለዋን ነቲ ውድድር ክሳብ ክንደይ ክጸልዎ ይኽእል ኣይተገልጸን ዘሎ። ቶሺሮ ሙቶ ክታበት ክሳብ ዝርከብ ተባሂሉ ውድድራት ኦሎምፒክ ደው ክብል ወይ ካብ 2021 ክናዋሕ የብሉን እኳ እንተበለ: ሰብ ሞያ ጥዕና ግን ስክፍተኦም ይገልጹ ኣለዉ። እቲ ሓላፊ ብምስዓብ “ቅድሚ ምጅማር እቲ ውድድር ኣብ ዘሎ ግዜ ክታበት እንተ ተረተኺቡ ጽቡቕ፡ ክታበት ከይተረኸበ’ውን እንተኾነ እቲ ውድድር ብጥንቃቐ ክካየድ ይኽእል እዩ፡ ክታበት ከም ቅድመኩነት ክቐርብ የብሉን”ኢሉ። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ እቲ ውድድር ኣብ 2021 ዘይካየድ እንተኾይኑ ጥቅሊሉ ክቋረጽ ኣለዎ ኢሉ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ኣብ ታሪኽ ውድድራት ኦሎምፒክ፡ በዘይካ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት እቲ ውድድር ብሰንኪ ኵናት ሓንሳብ ጥራይ እዩ ናዊሑ ዝፈልጥ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54054481"} {"headline":"ወዲ 53 ዓመት ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ፡ካዙዮኪ ሚውራ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ፈሪሙ","content":"ኣብ ኩዕሶ እግሪ ጃፓን ብዕድመ ዝዓበየ ሸቶ ዘመዝገበ ዝብል ክብረ ወሰን ዘለዎ ወዲ 53 ዓመት ካዙዮኪ ሚዩራ፡ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ምስ ጋንታ ዮካሃማ ክጻወት ፈሪሙ። ሚውራ ሊግ ጃፓን 2021 ቅድሚ ምጅማሩ፡ 26 ለካቲት 54 ዓመቱ ክመልእ እዩ። እቲ ኣጥቃዒ ሃገራዊት ጋንታ ጃፓን ነበር ኣብ 2005 ናብ ጋንታ ዮካሃማ ዝተጸንበረ ኮይኑ ንመበል 17 ናይ ውድድር ዘበን እዩ ንጋንትኡ ክስለፍ። \"ንኩዕሶ እግሪ ዘለኒ ባህግን ድልየትን እናወሰኸ ጥራሕ እዩ ዝኸይድ ዘሎ\"ይብል ሚውራ። ኣብ 1986 ምስ ብራዚላዊት ጋንታ ሳንቶስ ዓለምለኻዊ ናይ ኩዕሶ እግሪ ሞይኡ ሓደ ኢሉ ዝጀመረ ሚውራ፡ ኣብ 2017 ወዲ 50 ዓመት ኮይኑ ኣብ ሊግ ጃፓን ኣብ ልዕሊ ቴስፓኩሳቱ ጉንማ ዘቑጸራ ሸቶ፡ ኣብ ሊግ ጃፓን እቲ ብዕድመ ዝዓበየ ሸቶ ዘመዝገበ ተጻዋታይ ክኸውን ኣኽኢላቶ እያ። \"ንጉስ ካዙ\" ዝብል መጸውዒ ዝተውሃቦ እዚ ተጻዋታይ፡ ኣብ ጃፓን ኣዝዩ ፍቱው ተጻዋታይ ክኸውን ከሎ፡ ጄ ሊግ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ጃፓን ኣብ 1993 ክጅመር ከሎ ምልክት እቲ ሊግ ነይሩ። ንጃፓን ኣብ 89 ጸወታታት ተሰሊፉ 55 ሸቶታት ዘቑጽረ እንትኾን፡ ኣብ ጣልያን፣ ክሮሽያን ኣውስትራልያን ኣብ ዝርከባ ጋንታታት እውን ተጻዊቱ እዩ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55620779"} {"headline":"ጃፓናውያን ኣብ ልዕሊ ኣንስቶም ሰላሊ ዝቖጽርሉ ምኽንያት","content":"ወዮ ድኣ ብደቂ ተባዕትዮ ስለ ዝተለመደ'ዩ እምበር፡ ደቂ ኣንስትዮ ጃፓን ኣብ ልዕሊ ሰብኡተን ሰለልቲ የዋፍራ እየን። መናእሰይ'ውን ንመጻምዶም ከምኡ የሰልሉ። ኣቤት! ነዚ ስራሕ ዝሰርሑ ሰባት ዝኽፈሉዎ! ውሑድ'ዶ መሲሉኩም? ሓደ ሰላሊ ክሳብ 400 ሽሕ የን (መተዓዳደጊ ገንዘብ ጃፓን) ይኽፈሎ። ብርግጽ፡ እዚ ገንዘብ ብልክዕ እቲ ናይ ባዶ ቑጽርታት ብዝሒ ኢዶእ! ዘብል ኣይኮነን። ነዚ ጽሑፍ ኣንቢብኩም ክሳእ ትውድኡ ዋጋ ሸርፊ ወጻኢ ከይውስኽ እምበር፡ ክንደይ ከም ዝኾነስ ጸኒሕና ክንነግረኩም ኢና። መጀመርታ ግን ሕምብርቲ እቲ ታሪኽ ኣንቢብኩም ሓዙዎ። እቱ ሰላሊ ኣብ ፍቕሪ ወዲቑ ብ2010 (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ ዘጋጠመ ታሪኽ እዩ። ሓደ ሰላሊ ፍቕሪ ሒዙዎ። ሰበይቲ እንዳ'ማቱ ክስልል ዝተቖጸረ ሰብ'ዩ እኮ። ድሓር፡ እታ ሰበይቲ በዓል ቤታ ዝቖጸሮ ሰላሊ ከም ዝኾነ ትፈልጥ'ሞ ትብኣሶ። መዓዝ እዚ ጥራሕ፡ ንዕኡ ኮነ ንበዓል ቤታ ኪዱ ርሓቑለይ፤ ኣይተድልዩንን ኢላቶም። መወዳእርኡ ጽቡቕ ኣይኮነን፤ በገመድ ሓኒቑ ቀቲሉዋ። እዚ ታሪኽ ልበወለድ ኣይኮነን፤ እቲ ሰላሊ ገበነኛ ተባሂሉ ብማእሰርቲ 15 ዓመት ተቐጺዑ እዩ። እቲ ሰላሊ ታኬሺ ኩዋምባራ እዩ ዝብሃል። ንሱ፡ ኢሶሃታ እትብሃል ጽብቕቲ ወይዘሮ ንክስልል ብብዓል ቤታ ይቑጸር። ድሓር፡ ንኢሶሃታ እናተኸታተለ ሓደ መዓልቲ ኣብ ሱፐርማርኬት ተላሊዩዋ። ሽዑ፡ ባሕተላይ በዓል ሞያ ኮምፒዩተር ኢሉ'ዩ ተላሊዩዋ። ነናሻዕ ክመላልስ ይጅምረልኩም። ኣብታ ቀጣን ገጹ፣ ተራር ኣፍንጭኡ መነጽር ሸኲዑ ክርኣይ እንከሎ፡ ጸዓዱ 'ነርዲ' ዝብሉም ናይ ኮምፒዩተር ወልፊ ዘለዎም መናእሰይ እዩ ዝመስል። ኣነስ ባሕተላይ'የ ክብላ እንከሎ፡ ኢሶሃታ ኣሚናቶ። ግንከ በዓል ሓዳርን ኣቦ ቆልዑን'ዩ። \"ንስኺኸ?\" \"ኣነስ በዓልቲ ሓዳር'የ\"። \"ዋይ! እንታይ ኣሀወኸኪ? ኣነ'ዶ! ከይተመርዓዉኺ ምረኸብኹኪ እንታይ ነበሮ?\" እናበለ ከስልላ ይሕሱ። ኣይተረፈትን፤ በቲ ሰላሊ ተማሪኻ። በዓልቲ ሓዳር እንተኾነት'ውን ምስ ሰላሊ ታኬሺ ብሕቡእ ፍቕራዊ ርክብ ትጅምረልኩም። እንግዶት ድራር . . . እናበለ ዝተጀመረ ርክቦም ምስኡ እናምሰየት ክትስሕቕ ክትጻወት ትቕጽል። ደስ ኢሉዋ። ግን ተጋግያ፤ ክልቲኦም ተጋግዮም። እቲ ዝገርም ግን፡ ሰላሊ ታኬሺ ስርሑ ረሲዑ ምስኣ ብፍቕሪ ምውዳቑ'ዩ። ኩነታቶም ዘይጥዓሞ በዓል ቤታ ኢሶሃያ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰላሊ ካልእ ሰላሊ ይቖጽር። ሓደ መዓልቲ ካብ ሆቴል እናወጽኡ እቲ ሓድሽ ሰላሊ ዝወሰዶ ስእሊ ናብቲ በዓል ቤታ ይበጽሕ። ሕጂ ጉድ መጺኣ! በቃ እቲ በዓል ቤታ ዝደልዮ ነገር ረኺቡ ኣሎ። ቀደሙ'ውን ንዓኣ ስለ ዝፈትዋ ሰላሊ ዝቐጸረ ከይመስለኩም፤ ፍትሕ ይደሊ ስለ ዝነበረ'ዩ። ኣብ ጃፓን ፍትሕ ቀሊል ኣይኮነን። ርጡብ መረዳእታ የድልዮ። ናይ ስእሊ፣ ናይ ቪድዮ መረዳእታ። ኣብ መወዳእታ ዕድመ ነቲ ሓድሽ ሰላሊ እቲ ፍትሕ ተፈጺሙ። ይኹን'ምበር፡ ኢሶሃያ ምስቲ ሰላሊ ፍቕራዊ ዝምድና ጀሚራ ስለ ዝነበረት፡ ታኬሺ ሰላሊ ምዃኑ ዘንጊዓ እያ ፈሊጣ። ሓሪቓ፤ ምሳኻ ክነብር ኣይደልን ኢላቶ። በቲ እንተበለ በቲ . . . ተንበርኪኹ እንተለመነ . . . ክሳደይ ንካራ ኢላ እምብለይ ትብሎ። ኣብዚ ግዜ እቲ ሰላሊ ትዕግስቲ ክገብር ኣይክኣለን፤ ምኽንያቱ ንሱ'ውን ሰበይትን ቆልዑን ኣለውዎ'ዮም። ነዚኦም ገዲፉ'ዩ ምስኣ ፍቕሪ ጀሚሩ። ንሳ ኣይደልየካን ክትብሎ ከላ \"ንስኺ እንተተፈሊኽኒ ናተይ ምንባር ድኣ እንታይ ትርጉም ኣለዎ?\" ኢሉ ንዓኣ ብገመድ ሓኒቑ ይቐትላ። ኣብ ጃፓን ሓያል ስንባደ ተፈጢሩ። ካብዚ ብዝብገስ እቶት ሰለልቲ ነክዩ። ሰላሊ ታኬሺ'ውን በቲ ዝፈጸሞ ገበን ማእሰርቲ 15 ዓመት ተፈሪዱዎ ይእሰር። ድሕሪ ሞት ኢሶሃታ፡ ጉዳይ ሰለልቲ ሓዳር ጃፓን መዘራረቢ ኮይኑ። ንግዝኡ ድማ፡ ሰብ ሓዳር ኣብ ልዕሊ ሰለልቲ እምነት ዝጎደሎም መሲሎም እቲ ጉዳይ ምዝሕሓል ዘርኣየ መሰለ። ድሕሪ ዓመታት ግን ዳግም ሓያል ቢዝነስ ኮይኑ ኣንሳእረረ። ጃፓናውያን፡ ነዞም ሰለልቲ ሓዳር 'ዋካሬሳሴያ' ኢሎም ይጽውዑዎም። እቲ ቢዝነስ'ውን ዋካሬሳሴያ እዩ ዝብሃል። እንታይ ግድኹም፡ ንጃፓን ዳርጋ ኢንዳስትሪ ኮይኑዋ እዩ ምባል ይከኣል። ንኣብነት፡ ኣስታት 270 ኩባኒያታት ሕጋዊ ፍቓድ ኣውጺኦም ሓዳር ይስልሉ። ሰብ ዝፈልጦ ወግዓዊ ድረ ገጽ ኣለዎም። ንመወዓውዒ ሚሊዮናት ይኸፍሉ። እዚ ብዙሕ ኣይኮነን? \"ሰለልቲ ሓዳር ዝሓቱዎ ገንዘብ ቀሊል ኣይኮነን\" ይብል ሞሹዙኪ። ሞሹዙኪ ቅድም ኢሉ ሙዘቀኛ ነይሩ፤ ሕጂ ድማ ናይ ውልቂ መርማሪ ኮይኑ፤ ቤት ጽሕፈት ስለላ ሓዳር'ውን ኣለዎ። ንሓደ ስለላ፡ ክሳብ 400 ሽሕ የን የኽፍል። እዚ ናብ ዶላር ክንቕይሮ ከለና ናብ 3 ሽሕ ዶላር ዝጽጋዕ ይኸውን። ብናይ ኢትዮጵያ ብር ከኣ'ሞ ኣስታት 100 ሽሕ ብር'ዩ። እንተኾነ፡ እዚ እቲ ዝተሓተተ ክፍሊት'ዩ። እዚ ሰበይቲ ንሰብኣያ ወይ ድማ ሰብኣይ ንሰበይቲ ከሰልል ክደሊ እንከሎ ብዙሕ መረዳእታ እንተሂቡ ዝዋሃበካ ዋጋ'ዩ፤ ጎዲሉል ተባሂሉ። ናይ ዘመድ ዋጋ በሉዎ። ንኣብነት፡ ሓደ በዓልቲ ቤቱ ኣበይ ከም እትውዕል፣ እንታይ ከም እትፈቱ፣ መሓዙታ በዓል መን'የን፣ ናይ ፌስቡክ ናይ ሚስጢር ቑጽራ እንታይ ይብል፣ ድኹም ጎና፡ . . . ወዘተ ዝብሉ ንምፍላጥ ክሳብ 20 ሚሊየን ዝበጽሕ ዋጋ ክትሕተት ትኽእል። እቲ ሰብኣይ ወይ እታ ሰበይቲ ፍሉጣት፣ ህቡባት፣ ፖለቲከኛ ወይ ካልእ ደረጃ ዘለዎም እንተኾይኖም እቲ ዋጋ ሰማይ ይዓርግ። ናይዚ ዋጋ ልዕሊ 100 ሽሕ ዶላር ክኸውን ይኽእል። ናይዚ ምኽንያት፡ እቶም ሰለልቲ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ቴክኖሎጂ ስለ ዝጥቀሙ'ዩ ይብሃል። ኣብ ለንደን እትነብር ስቴፋኒ ስኮት መብዛሕትኦም ናይ ልበወለድ ስራሕታ ኣብ ስለላ ጃፓናውያን ትኹረት ዝገበሩ'ዮም። \"ዋት ኢዝ ሌፍት ኦፍ ሚ ኢዝ ዩርስ\" ዝብል መጽሓፍ ኣለዋ። መብዛሕትኡ ታሪኽ እዚ መጽሓፍ ብሰላሊ ታኬሺ ዝተቐትለ ኢሶሃታ ትኹረት ዝገበረ'ዩ። ንሳ፡ ኣብ ልዕሊ ሓዳርካ ሰላሊ ምቑጻር ኣብ ውሽጢ ሓዳር ንዘጋጥም መወዳእታ ዘይብሉ ዘይምርድዳእን ፍትሕን ክሓጽር እዩ ዝገብር ትብል። ሓንቲ ኣብ ልዕሊኣ ሰላሊ ዝተቖጸረላ ጓል ኣንስተይቲ እቲ ሰላሊ ተሳኺዕሉ ፍቕሪ እንተትሒዙዋ፡ ፍትሕ ክትሕተት እንከላ ደስ ኢሉዋ ትቕበሎ። እንተዘይኮይኑ ግን ኣብታ ሃገር ፍትሕ ብቐሊሉ ኣይፍጸምን። መስርሕ ፍትሕ ክደናጎ ከሎ ድማ ሰብ ሓዳር ብስምዒት ይጉድኡን ህይወቶም ይመዛበልን። ግን ድማ ኩል ግዜ ሰለልቲ ፍትሕ ንከሳልጡ ብዝብል ኣይኮኑን ዝቑጸሩ። ሓንቲ በዓልቲ ሓዳር ሰብኣያ ክትጎድኦ ክትደሊ ከላ ኾነ ኢላ ሰላሊት ቖጺራ ፍቕሪ ክትሕዞ ትገብር እሞ፡ እታ ሰላሊት መንነታ ከይገለጸት ሃንደበት እቲ ርክብ ክቋረጽ ብምግባር ስምዒት ንክጉዳት ትገብር። ብተመሳሳሊ 'ሰበይተይ ኣሕሪራ ክትቀትለኒ ደልያ'ያ' ዝበለ ሰብኣይ ደረቱ ዝነፍሐ ጃፓናዊ ሰላሊ ይቖጽር። እቲ ሰላሊ ድማ ኣብ ዝእቶ ኣትዩ ነታ ሰበይቲ ብፍቕሪ ክትትሓዝ ይገብር፤ ፍቕር'ውን የጀምራ። ድሕሪኡ፡ ስምዒታ ንክጉዳእ ሃንደበት ኩሉ ነገር ገዲፈዮ እየ ኢሉ ጠንጢኑዋ ይዕዘር። ከምዚ ብምግባሩ ብዙሕ ገንዘብ እዩ ዝኽፈል። \"እዚ ቀሊል ኣይኮነን፤ ሓደ ናይ ስለላ ስራሕ ካብ ኣዋርሕ ክሳብ ዓመታት ክወስድ ይኽእል'ዩ\"ይብል ሞቺዙኪ። እዞም ሰለልቲ መብዛሕትኦም ብሕጊ ዝሰልጠኑ'ዮም። ስርሖም ክሰርሑ ከለው ናይታ ሃገር ሕጊ ኣይጥሕሱን። ንኣብነት፡ ምፍርራሕን ኣካላዊ መጥቃዕቲ ምብጻሕን ኣይፍቀድን። ከምዚ ዝገብሩ አንተሃልዮም እቲ ዝቖጸሮም ትካል ስለላ ሓዳር ይሰጎም'ዩ። እቲ ዓብዪ ጸገም ካብ ስራሕ ክስጎጉ ከለው ብዘይሕጋዊ መገዲ ነዚ ስራሕ ዝሰርሑ ምህላዎም'ዩ። እዞም ዘይሕጋውያን ሰለልቲ ሓዳር፡ እቲ ቀይሕ መስመር ዝብሃል'ውን ዝሓለፉ'ዮም። ንኣብነት፡ ምስታ ዝስልሉዋ በዓልቲ ሓዳር ጓል ኣንስተይቲ ጾታዊ ርክብ እናፈጸሙ ብቪድዮ ክቕዳሕ ብምግባር ንበዓል ቤታ ኣሕሊፎም ይህቡዎ። እዚ በዓል ሓዳር ወይ መጻምድኻ ምስላል ኣብ ባህሊ ጃፓን እቲ ብጣዕሚ ዘሕፍር ተግባር እዩ። ሰባት ብዝኾነ መገዲ ምስዚ ተግባር ከይተኣሳሰሩ ድልየት የብልናን እንተበሉ'ውን እቲ ኣገልግሎት ግን ይፈትውዎ'ዮም። ኣብ ጃፓን ፕሮድዩሰር ሬድዮን ቴሌቪዥንን ዝኾነት ኒሺያማ \"ኣብ ጃፓን ንኹሉ ነገር ዝኸውን ዕዳጋ ኣሎ\" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ። ንኣብነት፡ ሙሉእ ስድራቤት ሓሶት ክትካረ እንተደሊኻ ይክኣል'ዩ። ዋንኡ ገንዘብ'ዩ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54626360"} {"headline":"ንጃፖን ዘጥቐዐ ህቦቡላ ሃይሸን ናብ ደቡብ ኮርያ ይጽጋዕ ኣሎ","content":"ህቦቡላ ሃይሸን ንጃፓን ድሕሪ ምጥቓዕ ናብታ ካብ ደቡብ ኮርያ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ናብ ዝኾነት ቡሳን የምርሕ ከምዘሎ ተምበይቲ ኩነታት ኣየር እቲ ከባቢ ገሊጸም። ብሰንኪ እዚ ብርቱዕ ህቦቡላ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዓሰርተ መዓልቦ ነፈርቲ ልዕሊ 300 በራራታት ደው ክብል እንከሎ ገለ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ባቡራት’ውን ተቋሪጹ ኣሎ። ኣብ ጃፓን፡ እቲ ህቦቡላ ከምቲ ዝተፈረሖ’ኳ ዕንወት እንተዘይኣውረደ ብኣሽሓት ዝቑጸር መንበሪ ኣባይቲ መስመር ኤለትሪክ ተቋሪጽዎ’ሎ። ብመሰረት ጸብጻብ ኤንኤችከይ ዝተብሃለት ኣገልግሎት ዜና ጃፓን በቲ ህቦቡላ 32 ሰባት መጉዳእቲ ኣጋጢምዎም ኣሎ፡ ክልተ ካብዚኦም ኣብቲ ተዓቒቦሙሉ ዝነበሩ ቦታ በቲ ህቦቡላ መስትያት ተቶኵሱ ዝሃረሞም እዮም፡ ኣብዚ እዋን ድማ ብምልኦም ሕክምናዊ ናብዩት ይግበረሎም ኣሎ። ኣብ ደቡብ ኮርያ’ውን ልዕሊ 5000 መንበሪ ኣባይቲ ድሮ መስመር ኤለትሪክ ተበቲኽዎም ኣሎ። ኣብ ጃፓንከ ከመይ እዩ ዘሎ? ኣብ ጃፓን ብርቱዕ ማዕበል ብዝፈጠሮ ስግኣት፡ ኣስታት ሸሞንተ ሚልዮን ዜጋታታ ናብ ውሑስ ቡታ ክግዕዙ ተነጊርዎም። እዚ ሃይሸን ዝተሰመየ ብርቱዕ ህቦብላ ዝፈጠሮ ማዕበልን ኣብ ስዓት 160 ኪሎ ሜተር ዝሕምበብ ንፋስን ብርቱዕ ዝናብ ከኸትል ከምዝኽእል'ዩ ግምታት ተዋሂብዎ ዘሎ። ኣብ ድቡባዊ ምዕራብ ድሴት ክያሱ ልዕሊ 430 ሽሕ መንበሪ ኣባይቲ ብሰንኪ እዚ ብርቱዕ ህቦቡላ መስመር ኤሌትሪክ ተቋሪጽዎ ኣሎ። ሃገር ጃፓን ብሰንኪ እዚ ብርቱዕ ህቦቡላ ክምጽእ ዝኽእል ዕንወትን ክሳራን ንምጉዳል ንህዝባ ኣብ ዝልዓለ ተጠንቀቕ ክጸንሕ ሓቢራቶ ኣላ። ህቦቡላ ሃይሸን ድሕሪ እቲ ኣብቲ ዞባ ዝበርተዐ'ዩ ዝተበሃለሉ ህቦቡላ ማይሳክ ምስ ኣጋጠም ድሕሪ መዓልታት'ዩ ዝመጽእ ዘሎ። ህቦቡላ ሃይሸን ኣብ ምዕራብ ጃፓን፡ ፋብሪካታት፡ ኣብያተ ትምህርትን ትካላት ንግድን ንክዕጾን፡ ኣማኢት በረራታትን ጉዕዞ ባቡራትን ንክቋርጽ ምኽንያት ኮይኑ'ሎ። ትካል ትምበያ ኩነታት ኣየር ጃፓን፡ ህዝቢ ኣብ ገማግም ባሕሪ ክጋጥም ካብ ዝኽእል ብርቱዕን በሪኽን ማዕበል ከምኡ'ውን ብርቱዕ ዝናብ ነብሱ ንኸድሕን ብተጠንቐቕ ክከታተልን ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዝን ጻውዒት ኣቕሪቡ'ሎ። ዳይረክተር ትምበያ ኩነታት ኣየር ጃፓን ዮሺሻ ናካሞቶ፡ እቲ ብርቱዕ ማዕበል ኣብ ዓሚቕ ቦታ ኣብ ዝርከብ ቦታታት ዕልቕልቅ ከኸትል ከምዝኽእልን፡ ሩባታት ልዕሊ ትጽቢት ምልኣት ክርእዩ ከምዝኽእሉ ንጋዜጤኛታት ሓቢሩ። መንግስቲ ጃፓን ኣብ ዘስግእ ቦታታት ዘለዉ ዜጋታቱ ናብቲ ከም ግዝያዊ መዕቀሊ ኣዳልይዎ ዘሎ ኣብያተ ትምህርትን ህዝባውያን ማእከላትን ክግዕዙ ሓቢሩ ኣሎ። እንተኾነ ብዙሓት፡ ሰብ ኣብ ዝተኣከቦ ኮሮናቫይረስ ክላባዕ ከምዝኽእል ብምስጋእ ውሑስ ኣብ ዝበለዎ ሆቴላት ይዕቆቡ ከምዘለዉ ማዕከናት ዜና ጃፓን ይሕብራ ኣለዋ። እዚ ሃይሸን ዝተሰመየ ብርቱዕ ህቦቡላ፡ ነታ ብሰንኪ ህቦቡላ ማይሳክ ዝጠሓለት ናይ ጽዕነት መርከብ ብሓለዋ ባሕሪ ጃፓን ንምድላይ ዝካየድ ዝነበረ ወፍሪ ምኽቋርጽ ምኽንያት ኮይኑ'ሎ። እታ ጋልፍ ላይቭስቶክ 1 ዝተሰመየት ናይ ጽዕነት መርከብ 43 ባሕረኛታት ሒዛ ብሮቡዕ'ያ ኣብ ግዝኣት ባሕሪ ጃፓን ጠፊኣ። ካብቶም 43 ባሕረኛታት ክሳብ ሎሚ ሰለስተ ባሕረኛታት ጥራይ'ዮም ብህይወት ክርከቡ ክኢሎም ዘለዉ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54053424"} {"headline":"ቁጠባ ጃፓን ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣንቆልቊሉ","content":"ጃፓን ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ እትቃለሱ ዘላ እዋን፡ ቁጠባ እታ ሃገር ብቕልጡፍ የንቆልቁል ምህላዉ ተገሊጹ። ጃፓን ካብ ዓለምና ዝለዓለ ቁጠባ ዘለዋ ሳልሰይቲ ሃገር እያ። ካብ ሚያዝያ ክሳብ ሰነ ኣብ ዝነበረ ኣዋርሕ፡ ሓፈሻዊ ምህርቲ ናይታ ሃገር ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ርብዒ ዓመት ክነጻጸር ከሎ፡ ብ 7.8% ኣንቆልቊሉ፤ ብዓመታዊ ድማ፡ 27.8% እዩ ነክዩ። ቅድሚ ቅልውላው ኮሮናቫይረስ ምግጣሙ’ውን እንተኾነ፡ ጃፓን ብዝሕቱል ቁጠባዊ ዕብየት ክትብዳህ እያ ጸኒሓ። እቲ ሎሚ ሰኑይ ዝወጸ ጸብጻብ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንቁጠባ ሃገራት ዓለም ብኸመይ ከምዝሃሰዮ ዘርእይ እዩ። ነቲ ኣብ ጃፓን ዘጋጠመ ምንቁልቋል ቁጠባ ቀንዲ ምኽንያቱ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ዝፍጸም ዕድጊት ብምንቁልቋሉ እዩ። ልዕሊ ፍርቂ ቁጠባ ጃፓን ድማ ኣብ ዕዳጋ ውሽጢ ዓዲ ዝተመስረተ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ዓለማዊ ንግዲ ብሰንኪ እቲ ለበዳ ተሃስዩ ብምህላዉ፡ ናይ ወጻኢ ዕዳጋ’ውን ኣንቆልቊሉዋ እዩ። ቁጠባ ጃፓን ንተኸታተልቲ ሰለስቲ ርብዒ ዓመታት እዩ እናንቆልቆለ መጺኡ። እዚ ድማ ካብ 1955 ንደሓር እቲ ዝኸፍአ እዩ። እንተኾነ፡ ሰብሞያ ከምበብልዎ፡ ቁጠባ ጃፓን ኣብ’ቲ ዝመጽእ ዘሎ ኣዋርሕ ክስዕርር እዩ ዝብል ትጽቢት እዩ ዘለዎም። ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝፈጠሮ ቁጠባዊ ጽልዋ ንምብዳህ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ሺንዞ ኣቤ ገዚፍ መጠን መነቓቕሒ እዩ ሰሊዑ ዘሎ። ናይ ዓለምና ካልኣይ ዝዓበየ ቁጠባ እትውንን ቻይና፡ ቁጠበኣ ክስዕርር ምጅማሩ ንኻልኦት ተስፋ ይህብ ኣሎ። ቁጠባ ቻይና፡ ካብ ሚያዝያ ክሳብ ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ ናይ 3.2% ዕብየት ብምምዝጋብ ካብ’ቲ ዝነበረ ምንቁልቋል ክወጽእ ጀሚሩ’ሎ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53804982"} {"headline":"ኣብ ጃፓን 9 ሰባት ቀቲሉ ኣካሎም ዝቖራረጸ ‘ቀታሊ ትዊተር’ ንሞት ተፈሪዱ","content":"ብማሕበራዊ መራኸቢ ትዊተር ንዝረኸቦም ትሸዓተ ሰባት ዝቐተለ ውልቀሰብ ብሞት ክቕጻዕ ዝተመሓላለፈ ፍርዲ ኣብ ጃፓን ሓያል ስንባደ ፈጢሩ። እዚ \"ቀታሊ ትዊተር\" ዝብል መጸውዒ ዝተዋህቦ ታካሂሮ ሺራሺ ዝተባህለ ወዲ 30 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ 2017 ኣብ መንበሪ ገዝኡ ዝተቖራረጸ ኣካላት ሰብ ምስተረኸበ'ዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። ንሱ፡ በቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተላለዮም መብዛሕትአን ናኣሽቱ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ዝኾና ግዳያቱ ከም ዝቐተለን ኣካላቶም ከም ዝቖራረጾን ተኣሚኑ። በቲ ዝተኣመነሉ ቅትለት ገበነኛ ኮይኑ ብምርካቡ ሎሚ ንሞት ተፈሪዱ። ኣብቲ ንተዓዘብቲ 16 መናብር ጥራሕ ዘለዎ ቤት ፍርዲ ልዕሊ 400 ሰባት ነቲ ውሳነ ተኸታቲሎምዎ ክብል ማዕከን ዜና እታ ሃገር ጸብጺቡ። ሺራሺ፡ ትዊተር ተጠቒሙ ዓርሰ-ቕትለት ንዝፍጽሙ ሰባት ናብ ገዝኡ መጺኦም ንክሞቱ ክሕግዞም ከም ዝኽእል፤ ኣብ ገሊኡ ድማ ሓቢሩወን ክቕተል ከም ዝኽእል ይገልጸሎም ምንባሩ ተሓቢሩ። ማዕከን ዜና ጃፓን፡ ክዮዶ፡ ንክሲ እቲ ውልቀሰብ ብምጥቃስ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ፡ እቲ ውልቀሰብ ካብ ወርሒ ነሓሰ ክሳብ ጥቅምቲ 2017 ን8 ደቂ ኣንስትዮን ሓደ ዕድሚኡ ካብ 15 ክሳብ 26 ዝግመት ወዲ ተባዕታይን፡ ክሳዶም ሓኒቑ ብምቕታል፡ ኣካላቶም ቆራሪጹዎ'ዩ ይብል። ፖሊስ፡ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ብዘካየዶ መርመራ ትሸዓተ ርእስን ብርክት ዝበለ ኣእዳውን ኣእጋርን ረኺቡ። ንዝቐረበሉ ክሲ ከም ዝፈጸመ ክኣምን እንከሎ፡ ጠበቓታቱ ግን \"ብፍቓድ ዝተፈጸመ ቕትለት\" ስለዘተግበረ መቕጻዕቲ ሞት ኣይግብኦን'ዩ ብምባል ክከላኸልሉ ፈቲኖም። ሺራሺ ግን፡ ንምጉት ጠበቓታቱ ኣፍሪሱ ብምፍራስ፡ ካብ ፍቓዶም ወጻኢ ከምዝቐተሎም ስለዝመስከረ ዝተዋህቦ ፍርዲ ከምዝኸብድ ገይሩ። ዳኛ ቤት ፍርዲ ነቲ ቅትለት፡ \"ጉርሒ ዝመልኦን ጨካንን\" ክብል ድሕሪ ምግላጽ፡ \"ካብቶም ትሻዓተ ግዳያት ክቕተል ፍቓድ ዝሃበ የለን፡ ዋላ ልኡም ፍቓድ\" ኢሉ። \"ሂወት መንእሰያት ብኸምዚ ክውሰድ ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ። ክብረት ናይዞም ግዳያት ተረጊጹ'ዩ\" ይብል ዳኛ ያኖ። እቶም ግዳያት መን'ዮም? ምስጢራውነት ናይቶም ግዳያት ንምሕላው፡ ኣስማቶም ኣይተገልጸን። ኣቦ ናይ ሓንቲ ካብቶም ግዳያት ዝኾነት ጓል 25 ዓመት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ \"ዋላ ይሙት፡ ንሺራሺ ይቕሬታ\" ከምዘይገብረሉ ተዛሪቡ ክብል፡ ማዕከን ዜና ጃፓን ኤን-ኤች-ከይ ሓቢሩ። \"ዋላ ሕጂ፡ ክንዲ ጓለይ እትኸውን ጓል እንተሪአ፡ ጓለይ ትመስለኒ። ቃንዛ ኣይክገድፈንን'ዩ። ጓለይ ሃቡኒ\" ኢሉ ነይሩ። ሎሚ ሰሉስ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝተረኽበ ካልእ ኣቦ ጓል 17 ዓመት፡ እቲ ዝተዋህበ ናይ ሞት ፍርዲ \"ርትዓዊ'ዩ\" ኢሉዎ። \"ሕነ ምፍዳይ'ዩ ዝስምዓኒ ዘሎ፡ ግና ቤተሰብ ዝሞቶ ዋላ ሓደ ክገብር ኣይክእልን'ዩ። ዘለኒ ቁጠዐ ብኸመይ ከምዘውጽኦ ጠፊኡኒ'ሎ\" ኢሉ። ሓዉ፡ ንሓደ ወዲ 25 ዓመት ግዳይ ብወገኑ፡ ሺራሺ ዝሃቦ ቃል ምስ ሰምዐ \"ልበይ ሞይቱ\" ክብል ተዛሪቡ። \"ብዝገበሮ ዝተጣዕሰ ኣይመስልን … ብበሊሕ ካራ ደጋጊሞም ዝወግኡኒ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። \" ቅትለት ናይቶም ግዳያት ኣብታ ሃገር ዓቢ ስንባደ ብምፍጣሩ፡ ብዛዕባ ርእሰ-ቅትለት ክትዕ ይካየድ ምህላዉ ተገሊጹ። ነቲ ኣብ መርባባት ኢንተርነት ብዛዕባ ርእሰ-ቅትለት ዝግበር ዝርርባት ቅጥዒ ክግበረሉ ዝብል ርእይቶታት ይመጽእ ኣሎ። መንግስቲ'ውን ሓድሽ ሕጊ ከተኣታቱ ከምዝኽእል ኣተንቢሁ'ሎ። ትዊተር ብግዲኡ፡ ንዝነበሮ ቅጥዕታትን መምርሒታትን ከመሓይሽ ተገዲዱ ኣሎ። ተጠቀምቲ \"ንርእሰ-ቅትለት ይኹን ርእሰ-መጉዳእቲ ከወዓውዑ ወይ ከተባብዑ\" የብሎምን ይብል እቲ ትካል ማሕበራዊ መራኸቢታት። መጠን ኣብ ጃፓን ዝፍጸም ርእሰ-ቅትለት፡ ኣብተን ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/55317533"} {"headline":"ኮቪድ-19፡ ሆስፒታላት ብራዚል ንሕሙማት ዝወሃብ 'ኦክስጅን ወዲአን'","content":"ሆስፒታላት ብራዚላዊት ከተማ ማናኡስ ከቢድ ሕጽረት ኦክስጅን ኣጋጢሙወን ኣብ ሓደጋ ከም ዝርከባን ሰራሕተኛታተን ብዓቕለ ጽበት ከም ዝተወጠሩን ተገሊጹን። እዛ ኣብ ግዝኣት ኣማዞና እትርከብ ከተማ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘጋጥም መልከፍትን ሞትን ሓይሉዋ ይርከብ። ክኢላታት ጥዕና ብምኽንያት ሕጽረት ቀረባትን ሓገዝን \"ብዙሓት ሰባት\" ክሞቱ ከም ዝኽእሉ የጠንቅቑ። ብራዚል ንኣመሪካ ስዒባ ኣብ ዓለም ካልኣይ ዝለዓለ መጠን ሞት ዘመዝገበት ሃገር ኮይና፡ ልዕሊ 205 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም ኣለው። ግዝኣት ኣማዞና ኣብ ቐዳማይ ለብዒ እቲ ቫይረስ ከቢድ ክሳራ ዘጋጠማ ኮይና፡ በቲ ሕጂ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓድሽ መልከፍቲ'ውን ከቢድ መጥቃዕቲ ይወርዳ ከም ዘሎ ይግለጽ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰብ መዚ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ክእውጁ እንከለው፡ መቐመጢ ኣስክሬናት ዝኾኑ መዝሓሊ ኮንተይነራት ብብዝሒ ናብ ሆስፒታላት ክመጽኡ ተገይሩ'ዩ። ክኢላ ጥዕና ኢንስቲትዩት ሳይንሳዊ ምርምር ፊኦክሩስ-ኣማዞና ጀሴም ኦሬላና ንኤኤፍፒ ከም ዝበለቶ፡ ገለ ሆስፒታላት ማናኡስ \"ኦክስጅን ወዲአን'የን\" ካልኦት ማእከላት'ውን \"መዕበሲ ክፍሊ\" ሕሙማት'የን ዝኾና ዘለዋ ኢላ። እዛ ተመራማሪት ንማዕኸን ዜና ብራዚል ኣብ ዝሃቦ ቃል'ውን ካብ ገለ ሆስፒታላት ኣዝዩ ዘሰክፍ ጸብጻባት ከም ዝበጽሓ ተዛሪባ። ኣብዚ ሕጂ'ውን በቲ ዘጋጠመ ሕጽረት ዓቕሎም ዝጸበቦም ሰብ ሞያ ሕክምና፡ ነቶም ተሓከምቲ ብህይወት ንምጽናዕ ብኢድ ዝሰርሕ መርወሓት (ቬንትሌሽን) ይጥቀሙ ኣለው። ሓንቲ ሰራሕተኛ ጥዕና ብምስሊ ኣብ ኢንተርነት ኣብ ዝዘርግሓቶ መልእኽቲ \"ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኢና ዘለና፤ ሎሚ መዓልቲ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ክፍሊ ኦክስጅን ተወዲኡ\" ኢላ። \"ኦክስጅን ብዘይምህላው ብዙሓት ሰባት ይሞቱ ኣለው። ኦክስጅን ዘለዎ እንተሃልዩ በጃኹም ናብቲ ክሊኒክ ኣምጽኡልና። ብዙሓት ዝሞቱ ሰባት ኣለው\" ትብል። ኣመሓዳሪ ኣማዞና ዊልሰን ሊማ እታ ግዝኣት \"ኣብ ጽንኩር ደረጃ ለበዳ\" ከም እትርከብ ብምግላጽ፡ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ሰዓት እቶ እቶ ከም ዝእወጅ ተዛሪቡ። እታ ግዝኣት፡ ክተፍርዮ ካብ እትኽእል ሰለስተ ዕጽፊ መጠን ኦክስጅን ከም ዘድልያ ሰብ መዚ ጥዕና እታ ግዝኣት ይገልጹ። ምኽትል ፕረዚደንት ብራዚል ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር ናይ ኦክስጅን ሲሊንደርን ቃሬዛን ዝርከቦም ቐረባት ሆስፒታል እናጉዓዓዘ ዘርኢ ምስሊ ብምግባር ናብታ ከተማ ቀረባት ክባጻሕ ይግበር ከም ዘሎ ሐዓቢሩ። ሰብ መዚ ጥዕና እታ ግዝኣት ግን፡ ሕክምና ጽኑዕ ክፍሊ ዘድልዮም ገለ ሕሙማት ናብ ካልኦት ግዝአታት ክዛወሩ ከም ዝተገብረ ሓቢሮም። ካብ ዞባታት ኣማዞና ናብ ጃፓን ኣብ ልዕሊ ዝኸዱ ብዙሓት ተጉዓዝቲ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ይርከብ ብምህላዩ ቑጽሪ መልከፍቲ እቲ ቫይረስ ንከይውስኽ ይስጋእ ኣሎ። እዚ ክሳብ ሕጂ ኣብ ብሪጣንያን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝተረኸበ ኮይኑ፡ ብሪጣንያ ዜጋታታ ናብ ደቡብ ኣመሪካ፣ ፖርቹጋልን ኬፕ ቨርድን ከይጉዓዙ ኸልኪላ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55643466"} {"headline":"ጃፓን፡ ብምንቅጥቃጥ ምድሪ ጠጠው ዘበለት ሰዓት ብምንቅጥቃጥ ምድሪ ዳግም ክትቖጽር ጀሚራ","content":"ኣብ 2011 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ብምኽንያት ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስራሕ ኣቋሪጻ ዝነበረት: ናይ ሓደ ሚእቲ ዓመት ዕድመ ዘለዋ ሰዓት ጃፓን፡ ኣብዚ ዓመት ድሕሪ ዘጋጠመ ካልእ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክትቖጽር ጀሚራ። እዛ ሰዓት ኣብ ውሽጢ ቤተ መቕደስ ቡድሂስት እያ ትርከብ። ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ኣብ ሰሜን ምብራቓዊ ደሴት እታ ሃገር ዝተላዕለ ኣዝዩ ሓደገኛ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ልዕሊ 18 ሽሕ ሰባት ቀቲሉ። እታ ታሪኻዊት ሰዓት'ውን ምቑጻር ጠጠው ኣቢላ። ዋንኣ ቡንሹን ሳካኖ እዚ ኹሉ ዓመታት ክጽግና ላሕ እንተበለ፤ ክሰምረሉ ኣይክኣለን። ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ብዘጋጠመ ተመሳሳሊ ራዕዲ መሬት ግን ሰዓተይ ክትቖጽር ጀሚራ ኢሉ ኣሎ። ጋዜጣ ማኒቺ ሺምቡን ከም ዝጸብጸበቶ፡ እቲ ቤተ መቕደስ ሚያጊ ተባሂላ ኣብ እትጽዋዕ ዞባ ጃፓን እዩ ዝርከብ። ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ገምገም ባሕሪ ቁሩብ ኣማኢት ሜትራት ፍንትት ኢሉ ዝርከብ ቤተ መቕደስ ብምኽንያት እቲ ከቢድ ምንቅጥቃጥ መሬት ዓንድታቱን ናሕስታቱን ጉድኣት በጺሑዎ። ድሕሪ'ቲ ሓደጋ ዋና እታ ሰዓት ዝኾነ ሓላፊ እቲ ቤተመቕደስ ቐሺ ሳካኖ ነታ ሰዓት'ዩ ኣድሒኑ። ሕድሳት ክግበረላ'ኳ እንተገበረ ክትሰርሕ ግን ኣይክኣለትን ጸኒሓ። ድሓር፡ ብ13 ለካቲት 2021 ካልእ ሓያል ምንቅጥቃጥ መሬት ኣጋጢሙ። ሕጂኸ እቲ ቤተመቕደስና ከመይ ኢሉ ይኸውን ኢሉ ድሃይ ክገብር ዝኸደ ቐሺ ሳካኖ፡ ድምጺ ቖጻሪት እታ ሰዓት ሰሚዑ፤ ዘንጊ እታ ሰዓት ከኣ ክትነቀሳቐስ ርኣያ። እታ ሰዓት ምስራሕ ካብ እትጅምር ክልተ ወርሒ ገይራ ኣላ። ሳካኖ፡ ኣብ 2011 ብጨረታ ክገዝኣ እንከሎ፡ ኣፍራዪ እታ ሰዓት ንጋዜጣ ማኒቺ ሺምቡን ኣብ ዝሃቦ ቃል \"ሃንደበት ብምንቅጥቃጥ መሬት ጠጠው ዝበለ ዘንጊ ሰዓት ዳግም ክጅምር ተኽእሎ ኣለዎ'ዩ፤ ወይ'ውን ኣብ ውሽጢ ዝነበረ ዶሮና እናፎኸሰ መጺኡ'ውን ክኸውን ይኽእለ'ዩ\" ኢሉ። ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብቲ ቤተ መቕደስ ወለንታዊ ኣገልግሎት ክህብ ዝጸንሐ ወዲ 58 ዓመት ዋና እዛ ታሪኻዊት ሰዓት፡ \"እዚ ሓድሽ ምትብባዕ ፈጢሩለይ'ዩ\" ኢሉ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56747054"} {"headline":"ኣብ ሓደ እዋን ብሓንቲ መንኮርኮር ናብ ህዋ ዝለኣኹ ብዝሒ ሳተላይት ተመሓይሹ","content":"ዝተፈላለየ ቅርጽን መጠንን ዘለወን 143 ሳተላይታት ኣብ ሓንቲ ሮኬት ተጻዒነን ካብ ፍሎሪዳ ናብ ህዋ ተወንጪፈን። ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት 104 ሳተላይት ብሓንቲ ስርሓት ህንዲ መንኮርኮር ናብ ህዋ ተወንጪፈን ነይረን። እቲ ሕጂ ክብረ ወሰን ሰይሩ ዘሎ እቲ ቀዳማይ ቢልየነር ዓለምና ስፔስኤክስ- ፋልከን (SpaceX Falcon) ዝፈጠሮ ኤለን ዝተባህለ ኩባንያ እዩ። ንክንድዚ ዝኣክል ብዝሒ ዘለዎን ሳተላይት ብሓንቲ መንኮርኮር ምውምጫፍ ምኽኣል ማለት ኣብ ዕቤት ቴክኖሎጂ ሓደ ዓቢ ዝላ ምርግጋጽ ማለት እዩ ተባሂሉ። በዚ ሓዲሽ ኣገባብ ከኣ ነተን ሳተላይት ብዓቐን ኣንኢስካ፡ ብተግባርን ውጽኢትን ኣብሊጺግካ ኣብ ስራሕ ምውዓል ከምዝተኻእለ መርኣያ እዩ ተባሂሉ ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ ልክዕ ከምቲ ዝኾነ ኩባንያ ሞባይል ክትሰርሕ እትኽእል ዘላ፡ ሳተላይት ክሰርሓን ከፍርያን ዝኽእላ ኩባንያታት እውን በዚሐን ምህላወን ዘርኢ እዩ። እታ ሓዳሽ ናይ ህዋ ታክሲ ስፔስኤክስ (SpaceX) ነተን ሳተላይት ካብ ሓደ ሚልዮን ዶላር ብዝውሕድ ዋጋ እያ ናብ ኦርቢት ልኢኻተን። በዚ ከኣ ካልኦት ብዙሓት ኩባንያታት እውን ኣብዚ ዓውዲ'ዚ ክሳተፉ ከምዝኽእሉ መርኣያ እዩ ተባሂሉ ዘሎ። ናይ ገዛእ ርእሱ 10 ሳተላይታት ዝውንን ስፔስኤክስ ኣብ ዓለም ናይ ኢንተርነት ብሮድባንድ ኣገልግሎት ክህብ ይኽእል'ዩ ዝብል ትጽቢት ተነቢሩሉ ኣሎ። እዚ ሕጂ ኣብ ሳንፍራንሲስኮ ብሓደ ጉዕዞ ሮኬት 48 ሳተላይታት ብምልኣኽ ክብረ ወሰን ዝጨበጠ ፕላኔት ኩባንያ፡ ሳተላይታቱ ‹ሱፕርዶቭ› ዝተባህላ ኮይነን፡ መዓልታዊ ብልዑል ጽሬት ንምስሊ ምድሪ ስኢለን ዘቕርባ ካሜራታት ዝዓጠቓ እየን። እዚ ኣብ ሳንፍራንሲስኮ ዝመደበሩ ፕላኔት ኩባንያ፡ ምስተን ሕጂ ዝለኣኸን 48 ሳተላይታት ብድምር ኣስታት 200 ሳተላይት ኣብ ህዋ ኣለውዎ። እተን ሱፐርዶቭስ ዝተባህለ ሳተላይታት ዓቐነን፡ ካብ ሳንዱቕ ናይ ሊስትሮ ኣይዓብን እዩ። እተን ኣብ ናይ ፋልኮን ሮኬት ዝተጻዕና ካልኦት ሳተላይታት ከኣ ካብ ናይ ሻሂ ኩባያ ኣይዓብያን እየን ተባሂሉ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ \" ናይ ህዋ ኣናህብ\" ተባሂለን ዝጽውዓ፡ ክንዲ ንህቢ ዝኾና ግን ከኣ ብስራሕ ማዕረ እተን ዓበይቲ ሳተላይት ኣገልግሎት ክህባ ዝኽእላ ሳተላይታት ይፍጠራ ከምዘለዋ ሊቃውንቲ ይሕበሩ። መጠን ዕቤት እተን ሳተላይታት 10 ሴንቲ ሜትር ብ10 ሴንቲ ሜትር ክኾኑ እዮም። እዘን ናይ ህዋ ኣናህብ ተባሂለን ዝግለጻ ዘለዋ ሳተላይታት ምስ ኣብ መሬት ዘሎ ዝኾነ ይኹን ዓይነት መሳርሒ ከራኽባ ይኽእላ እየን ዝብል ትጽቢት ኣሎ። ንኣብነት ካብ ሃገር ናብ ሃገር ንዝበሩ አዕዋፍ እንስሳታት ወይ መራኽብ ወይ እውን ካልእ ኣካል ምስተን ሳተላይት ዘራኽባ መመሓላለፍቲ እየን። እቲ ኣብ ናይ ስፔስኤክስ ፋልከን መንኮርኮር ዝተጻዕነ ዓበይቲ ሳተላይታት ካብ ሓደ ሳምሶናይት ዝዓቢ ኣይኮነን። መብዛሕቶም ናይ ራዳር ሳተላይታት እየን። እቲ ብተለምዶ ናይ ራዳር ሳተላይታት ተባሂሉ ዝጽዋዕ መጠነ ግዙፍ ሳተላይት ብብዙሕ ቶን ዝምዘን ኮይኑ ናብ ህዋ ንምውንጫፊ ብኣማኢት ሚልዮናት ዝኣክል ገንዘብ የድሊ ነይሩ። ስለዝኾነ ነቶም ናይ ቀደም ናይ ራዳር ሳተላይታት ዓቢ ወተሃደራዊ ሓይልን ትካልን ዘለዎ ሃገር ወይ ኤጀንሲ እንተዘይኮይኑ ማንም ዝደፍሮ ስራሕ ኣይነበረን። ሕጂ ግን ምስ ምርቓቕ ቴክኖሎጂ ብዘደንቕ ኩነታት ክብደቱ ካብ ሓደ ኩንታል ብምንኣሱ ከኣ ካብ ክልተ ሚልዮን ብዘይበዝሕ ገንዘብ ንህዋ ክውንጨፍ ይከኣል ኣሎ። ኣብቲ ናይ ትማሊ ናይ ህዋ ጉዕዞ አይሲየ (Iceye) ካብ ፊንንላንድ፡ አምብራ (Umbra) ካብ አሜሪካ፡ አይኦፒኤስ (iQPS) ካብ ጃፓን ሳተላይታት ልኢኸን ኣለዋ። እዘን ኩባንያዎታት ነቲ ዓውዲ ሓደሽቲ ጀመርቲ እየን። ይኹን እምበር ሳተላይታቶም መዓልታዊ ናይ መሬት ምስሊ ይልእካሎም። እቲ ራዳር ከኦፕቲካል ዝተባህለ ዘበናዊ ካሜራ ንደበና ጥሒሱ ብምሕላፍ ንገጽ ምድሪ ብዝሓሸ ጽሬትን ድምቀትን ስኢሉ ናይ ምቕራብ ብቕዓትን ዓቕምን ኣለዎ። ብቐትርን ብርሃንን ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት እውን ንጹር ስእሊ ናይ ምስኣል ዓቕሚ ኣለዎ። እዚ ማለት ከኣ ኣብ ምድሪ ዝፍጸም ነገር ለይትን ቀትርን ብዘየገድስ ኩሉ ነገር ዝረኣየሉ እዋን መጺኡ ምህላው መርኣያ እዩ ተባሂሉ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55807346"} {"headline":"ህቦብላ ሃግቢስ፡ ጃፓን ብከቢድ ምህማም መሬትን ምዕልቕላቕን ተጠቒዓ","content":"ኣብ ጃፓን፡ ድሕሪ ዓሰርታት ዓመታት ዝተኸሰተ ብርቱዕ ህቦብላ ሃግቢስ፡ ምኽንያት ሞት 23 ሰባት ኮይኑ። ኣብ ሰዓት 225 ኪሎ ሜትሮ እናተሓንበበ ነታ ሃገር ዘጥቅዐ እዚ ህቦብላ፡ ምህማም መሬትን ምዕልቕላቕ ውሕጅን ኣስዒቡ'ዩ። ኤንኤችኬ ዝተብሃለ ማዕከን ዜና እታ ሃገር፡ ሃለዋት 17 ሰባት ከም ዘይተረኸበ ጸብጺቡ። ፍሉጣት ቅርጺ ዓረር ዘለወን ባቡባት ጃፓን፡ ክሳብ ሕጂ ብማይ ተዋሒጠን ኣለዋ። በዚ ምኽንያት፡ ጃፓን 27 ሽሕ ወተሃደራትን ካልኦት ሰራሕተኛታትን፡ ኣብ ምድሓን ህይወት ክወፍሩ ገይራ ኣላ። ቀዳማይ ሚኒስትር ሺንዞ ኣቤ፡ እቶም ወተሃደራት እንተዋፍር፡ \"መንግስቲ ዝከኣሎ ኩሉ ክገብር'ዩ\" ኢሉ። ኣብ ቶክዮ 150 ሽሕ ኣባይቲ ሓይሊ መብራህቲ ተቛሪጹዎም ይርከብ። ኩሎም ካብን ናብን መዓርፎ ነፈርቲ ቶክዮ ሃኔዳን ናሪሺያን ዝግበሩ ዝነበሩ ልዕሊ 1ሽሕ ዝኾኑ በረራታት'ውን ተሰሪዞም። በቲ ዝተፈጥረ ምህማም መሬት ዝተቐብሩን ውሑጅ ዝወሰዶምን ሰባት ተደሚሩ፡ ቑጽሪ ሙውታት 23 በጺሑ ኣሎ። እዚ ማዕበል፡ ትማሊ ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዝነበረ ግጥም ዋንጫ ዓለም ራግቢ ክስረዝ ምኽንያት ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ዝተፈላለያ 14 ከባቢታት ዘለው ፈለጋት ድማ፡ ደንደሶም ጥሒሶም ብምፍሳስ፡ ኣባይቲ ኣዕኒዮም። ሃግቢስ፡ ናብ ሰሜናዊ ክፋል ይጉዓዝ ዘሎ ኮይኑ፡ ሎሚ ሰንበት ድማ ናብ ከባቢ ሰሜን ፓስፊክ ክጉዓዝ'ዩ ተባሂሉ ይግመት። እዚ ህቦብላ፡ ትማሊ ንደቡባዊ ምዕራብ ቶክዮን ምብራቓዊ ገምገም ባሕርን ዘጥቅዐ ክኸውን ከሎ፡ ዳርጋ ፍርቂ ሚልዮን ኣባይቲ፡ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተቛሪጹዎም'ዩ። እቶም በዚ ምኽንያት ዝሞቱ ሰባት፡ ገሊኦም ብምህማም መሬት ዝተቐትሉ ኮይኖም፡ ገሊኦም ድማ ኣብ መኪነኦም እንከለዉ ብዘጋጠመ ዕልቕልቕ ከምዝሞቱ ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊጾም። ካልኦት 15 ከምዝጠፍኡ ክሕበር ከሎ፡ ብዙሓት ካልኦት ድማ ጉድኣት ከም ዝበጽሖም ይግለጽ። ህቦብላ ሃግቢስ ንጃፓን ከጥቅዕ'ዩ ብዝብል ቅድመ ትንበያ፡ ልዕሊ ሸውዓተ ሚሊዮን ሰባት ካብ መረበቶም ክወጽኡ ኣለዎም ተባሂሉ'ኳ እንተነበረ፡ ብግብሪ ወጺኦም ኣብ ግዝያዊ መዕቖቢ ክጸንሑ ዝኽኣሉ ግን 50 ሽሕ ምዃኖም ተገሊጹ። ክኢላ ትንበያ ኤጀንሲ ሜትሮሎጂ ጃፓን ያሱሺ ካጂዋራ፡ \"ከተማታት፣ ዓበይቲ ከተማታትን ገጠር ከባቢታትን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ከቢድ ዝናብ ኣጋጢሙወን'ዩ\" ኢሉ። ትማሊ፡ እንግሊዝን ፈረንሳን ከምኡ'ውን ኒውዝላንድን ጥልያንን ክገጥማ ዕጫ ወጺኡሉ ዝነበረ ጸወታ ራግቢ ዋንጫ ዓለም ተሰሪዙ'ዩ። እዚ ኣብ ታሪክ [ኣብ ውሽጢ 32 ዓመት] ክስረዝ ንፈለማ እዋን'ዩ። ሎሚ ሰንበት ናሚቢያን ካናዳን ዘካይድኦ ጸወታ'ውን ኣይክህልውን። 'ኮበርታን ሓንቲ ብስኩትን' ጀምስ ባብ፡ ኣብ ምብራቕ ቶክዮ ኣብ ዝርከብ ግዚያዊ መዕቖቢ ኣጽሊሉ ይርከብ። ኣብቲ ዝነብሩሉ በባቢ ዝነበረ ፈለግ፡ ልዕሊ ዓቐን ይውሕዝ ምንባሩ ይዛረብ። \"ጉድኣት ኣካል ምስ ዘለዎ ወዲ ሓፍተይ'የ ዘለኹ\" ዝበለ ጀምስ፡ \"ገዛና ብውሑጅ ከዕለቕልቕ ይኽእል'ዩ። ኣብዚ ብስኩትን ኮበርታን ሂቦምና ኣለው\" ኢሉ። ኣብ ሰሜን ቶክዮ ንዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ዝተቐመጠ መምህር ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ኣንድሪው ሂጊንስ ብወገኑ፡ \"ህቦብላ ይርኢ ነይረ'የ\" ይብል። \"ሕጂ ግን ጃፓን ብብርቱዕ ህቦብላ'ያ ተጠቒዓ ዘላ። ካብ ትማሊ ምሸት ጀሚሩ ብዙሓት ሰባት መንበሪ ገዝኦም እናገደፉ ይወጽኡ ነይሮም\"። ዝሓለፈ ወርሒ ጥራሕ፡ ፋክሲ ዝተባህለ ህቦብላ 30 ሽሕ ኣባይቲ ኣዕኒዩ'ዩ። ጃፓናውያን፡ ኣብ ዓመት ብ20 ዝተፈላለዩ ዓይነት ህቦብላ ዝጥቅዑ ኮይኖም፡ ኣብ ቶክዮ ግን ሓልሓሊፉ'ዩ ዝኽሰት።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50031850"} {"headline":"ጃፓን፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ 3,700 ሰባት ኣብ ውሽጢ መርከብ ተወሺቦም","content":"ኣብ ጃፓናዊት ወደብ ኦካሃማ ዝበጽሐት መርከብ፡ 10 ተሳፈርታ ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኸቦም ተገሊጹ። ኣብታ ብ'ዳያመንድ ፐሪንስስ' እትፍለጥ 3,700 ሰባት ጽዒና ዝነበረት መርከብ፡ ኣብ 300 ተሳፈርቲ ጥራሕ ብዝተገብረ ምርመራ እዮም እቶም 10 ሰባት ተረኺቦም። እቲ ምርመራ እንትቕጽል ካልኦት ተወሰኽቲ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ክህልዉ ከምዝኽእሉ ይግመት። እቲ ኣብታ መርከብ ዝካየድ ዘሎ ምርመራ ዝተጀመረ፡ ሓደ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብታ መርከብ ተሳፊሩ ዝነበረ ወዲ 80 ዓመት ተወላዲ ሆንግ ኮንግ ዝኾነ ሽማግለ፡ በቲ ሕማም ምስተታሕዘ እዩ። እቶም ዛጊድ ኣብ ደሞም ዝተረኸቦም ዓሰርተ ሰባት ኩሉም ዕድመኦም ልዕሊ 50 ዓመት ዝኾኑ እዮም። ሚኒስትሪ ጥዕና ጃፓን ድማ እቶም ኮሮናቫይረስ ዝተረኽቦም ሰባት ናብ ማእከላት ሕክምና ይውሰዱ ከምዘለዉ ገሊጹ። ኣብ ቻይና ክሳብ ሕዚ 24,300 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ኮይኖም፡ ቁጽሪ መወትቲ ድማ 490 በጺሑ ኣሎ። ካብ ቻይና ወጻኢ ድማ ዛጊድ ክልተ ሰባት ሞይቶም ኣለዉ። ተሳፈርትን ሰራሕተኛታትን እታ መርከብ ንኽልተ ሰሙን ኣብ ውሽጢ እታ መርከብ ክኽርደኑ ምዃኖም ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ቫይረስ ክጫጫሕ ክልተ ሰሙናት ከምዝወስደሉ ሓካይም ይገልጹ። ኣብታ መርከቡ ዝተረኸቡ ክልተ ጃፓናውያን ሓዊሱ፡ ኣብ ጃፓን ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት 20 በጺሑ ኣሎ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51382404"} {"headline":"ቶክዮ፡ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ጃፓንን ተዛዚሙ","content":"ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ዕዳ ከየብዝሓን ኣብ ቅልውላው ዕዳ ከይኣትዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ሸንዞ ኣቤ ተማሕጺኑ። ንሱ፡ ኣብ ምዝዛም ናይቲ ኣብ ጃፓናዊት ከተማ ዮኮሃማ ክከካየድ ዝቐነየ ብዓለምለኻዊ ዋዕላ ቶክዮ ንልምዓት ኣፍሪቃ (Ticad) ዝፍለጥ ሓበራዊ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ጃፓንን ነቲ ለበዋ ኣመሓላሊፉ። እቲ ምሕጸና፡ ነታ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ቁጠባዊ ንጥፈታት እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ቻይና፡ እትህቦ ዘላ ለቓሕን ዘነጻጸረ ምዃኑ ይግመት። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣበ፡ ሃገሩ ኣብ ኣፍሪቃ እትገብሮ ወፍሪ (ኢንቨስትመንት) ኣብ \"ዓይነት\" ዘተኮረን፡ ብጃፓናውያን ትካላት ዝተደገፈ ክኸውን ከምዝደሊ ነቶም ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኽቡ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ገሊጹ። ጃፓን፡ ኣብ 30 ሃገራት ኣፍሪቃ ንኪኢላታት ገንዘባዊ ለቓሕን ሓደጋታቱን ከተስልጥን መደብ ከም ዘለዋ ኣፍሊጣ። ቁጠባ ናይታ ኣህጉር ንምምሕያሽ፡ ተወሰኽቲ ነጋዶ ከም ዘድልይዋ እቲ ሓደ ካብቶም ነቲ ዋዕላ ዝመርሑ ሺንዞ ኣበ ተዛሪቡ። እቲ ዋዕላ፡ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ጽልዋ እናሰፍሐ ኣብ ዝመጽአሉ እዋን ዝካየድ ዘሎ'ዩ። ጃፓን ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ስትራተጂ፡ ዘይከም ቻይና፡ ኣብ ውሑስ ዝኾነ ገንዘባዊ ደገፍ ዝተመስረተ ምዃኑን፡ ነተን ሃገራት ኣብ ቅልውላዉ ዘየእቱን'ዩ ክትብል ትምጉት። ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ቁጠባዊ ፓሊሲ ነተን ብቐሊሉ ካብኣ ናይ ገንዘብ ልቓሕ ዝረኽባ ሃገራት ኣብ \"ናይ ዕዳ ቅልቅላው\" ኣእቲኻ ናብኣ ተጸጊዐን ከም ዝነብራ ምግባር'ዩ ዝብል ክስታት ክቐርበላ ጸኒሑ'ዩ። ኣብቲ ዋዕላ፡ ብዛዕባ ጸጥታ፡ ኣፈታትሓ ጎንጽታትን ሰላምን ዝብሉ ዛዕባታት'ውን ከም እተዘርበሎም ተፈሊጡ። ዳርጋ ኩሎም መራሕቲ ኣፍሪቃ ድማ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ተሳቲፎም። ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ግን ኣብቲ ኣኼባ ኣይተሳተፈን። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ንዕኡ ወኪሉ መደረ ኣቕሪቡ። እዚ ኣብ 1993 ንልምዓት፡ ጸጥታን ሰላምን ኣፍሪቃ ተባሂሉ ብመንግስቲ ጃፓን ዝተበገሰ መድረኽ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት'ውን ዝደገፎን ከም መሻርኽቲ ጃፓን ብምዃን ንኣፍሪቃ ሓገዝ ንምጉስጓስ ዝፈለመ'ዩ። ንፈለማ እዋን፡ እቲ ዋዕላ ኣብ 2017 ከም ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ተኻዪዱ ነይሩ። ዓበይቲ ሃገራት፡ ነቲ እናሰፍሐን እናዓበየን ዝመጽእ ዘሎ ዕዳጋን ባህርያዊ ጸጋታት ኣፍሪቃ ንምምዝማዝን ተመሳሳሊ ዋዕላታት ከካይዳ ይርኣያ። ቻይና፡ ህንዲ፡ ሕብረት ኣውሮጳን ኣመሪካን፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ንመራሕቲ ሃገራት ብምዕዳም ስሩዕ ዋዕላታት ከካይዳ ይረአያ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49512512"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ናይ ገያሾ መርከብ ተወሺቦም ዝርከቡ ክልተ ብሪጣንያውያን መንግስቶም ነቒፎም","content":"ኣብ ወደብ ዮኮሃማ ጃፓን ኣብ ናይ ገያሾ መርከብ ተወሺቦም ዝርከቡ ብሪጣንያውያን ሓገዝ ንኽግበረሎም ዝገበርዎ ጻውዒት መንግስቲ ብሪጣንያ ዕሽሽ ከም ዝበሎ ከሲሶም። ኣሜሪካ ዜጋታታ ካብታ 285 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ከም ዝተረኽቡላ ዝተገለጸ ዳይመንድ ፕሪንሰስ ዝተባህለት መርከብ ከተግዕዝ ምዃና ኣፍሊጣ እያ። ዴቪድ ኣቤል ብፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ፡ ሃገሩ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክተወስድ ተስፋ ጌሩ ምንባሩ ተዛሪቡ። ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ፡ ድሕነት ናይቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ዜጋታቱ ንምውሓስ ይጓየይ ምህላው፡ ኦብዘርቨር ንዝተብሃለ ማእከን ዜና ገሊጹ። ዴቪድ ኣቤል ግና ኣብ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያን፡ ቦሪስ ጆንሰን እምነት ከም ዘይብሉ ሓቢሩ። በቲ ዝዘርግሖ ቪድዮ ብዙሓት ተኸታተልቲ ኣጥርዩ ዘሎ ዴቪድ፡ ቢልዮነር ሪቻርድ ብራንሰን ሓገዙ ከበርክተሎም ተላብዩ። \"ሪቻርድ ብራንሰን፡ ሓንቲ ሕቶ ክሓተካ፤ ንስኻን ስድራቤትካን ኣብዚ እንተ ትነብሩ፡ እንታይ ምገበርካ? ግና ህድእ በሉ ከይትብለኒ፤ ንሱ ኣይኮናን ክንሰምዕ ደሊና ዘሎና። \"ብሓንቲ ካብተን ንኣሽቱ ነፈርትኻ ጌርካ ነዞም ብሪጣንያውያን ንምድሓን ክንደይ ገንዘብ መድለየካ?\" \"ናብ ብሪዝ ኖርተን ውሰደና፤ ብቐጥታ ናብ ሕክምና ውሰደና፤ ኣብኡ ቋንቋና ምስ ዝዛረቡ ሰባት ክንውሸብ ምእንቲ\" ኢሉ። ዴቪድ ወሲኹ፡ እቲ ዘቕረቦ ምህጽንታ መርኣያ ብዙሓት ካብቶም ገያሾ ክሳብ ክንደይ ተስፋ ቖሪጾም ምህላዎም ምዃኑ ሓቢሩ። እቶም ሰብኣይን ሰበይትን እቲ ቫይረስ እንተ ዘይተረኺብዎም ካብታ መርከብ ወጻኢ ክውሸቡ ዝብል ኣማራጺ ተቐሪብሎም እኳ እንተነበረ፡ ኣብታ መርከብ ክጸንሑ ከም ዝመረጹ ይዛረቡ። ትካል ጥዕና ዓዲ እንግሊዝ ብቐዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብቶም ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም ሕክምና ክግበረሎም ዝጸንሑ ትሽዓተ ሰባት ብዘይካ ሓደ ኩላቶም ሓውዮም ካብ ሆስፒታል ከም ዝተፋነው ኣፍሊጡ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51520738"} {"headline":"ውዕውዕ ምንቅስቓስ ዝመልኣ ሓዳስ ጌይም ብጃፓናዊ ክኢላ ተዘርጊሓ","content":"ኣብዚ እዋን ኣብ ዓለምና ሰባት ንምዝንጋዕ ዝጥቀሙሎም ዝተፈላለዩ ዓይነት ጸወታት [ጌም] ይርከቡ። ገሊኦም ክትዘናግዓሎምን ትምህርቲ ክትቀስመሎምን እትኽእል ዓይነት ጸወታታት ክኾኑ ከለው፡ ገለ ድማ ነቲ ስድራ ቤታት ዘዕነወ ቁማር ክጻወቱሎም ይርእዩ። እዛ ብጃፓናዊ ሃይዲያ ኮጂማ ዝቐረበት ጸወታ ድማ ኣብ ክንዲ ብውልቃውነት ንሓስብን ንነብርን ምስ ካልኦት ህዝብታት ብምትሕብባር ነቲ ዘይስገር ዝመስል ሽግራት ንምምካት ትምህርቲ እትህበና ዓይነት ጌም ከምዝኾነት ጋዜጠኛ ኒውስቢት፡ ስቴፋን ፖዌል ገሊጹ። ካብቲ ጸለሎ ዝመስል ደበና ዘይምሕር ኣሲዳዊ ዝናብ ይዘንብ ብምንባሩ እቲ ኣዝዩ ርዒዱ ዝነበረ ሳም ፖርተር ብሪጅስ ዘጽልለሉ ቦታ የናዲ ነይሩ። ብዘይ እቲ ዘዳለዎ መደባት ድማ ኣሜሪካ ክትድሕን ኣይትኽእልን ኢያ። ሳም፡ ኣብታ ኖርማን ረዱስ ዝተዋስኣላ ዘ ዎኪንግ ዴድስ [The Waliking Dead's - እቶም ዝሳግሙ ምውታት] ፊልም፡ ቀንዲ ተዋስኣይ ክኸውን ከሎ ኣዝዩ ሽግራት ዝመልኦን ዝተሓላለኸን ነዊሕ ጉዕዞ ይጽበዮ ኣሎ። ናቱ ዕማም ወይ ድማ ናትካ ዕማም፡ ኣብ ክንዲ ሳም ኮይንካ ኣብትጻውተሉ እዋን፡ መልእኽቲ ምትሕልላፍን ነዛ ዓለም ምትእስሳርን ኢዩ ዝኸውን።እቲ ነታ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዴዝ ስትራንዲንግ [Death Stranding] እትብል ኣብ ኮምፒዩተር ዝግበር ጸወታ [ጌም] ዲዛይን ዝገበረ ፡ ሃይዲዮ ኮጂማ፡ ቀንዲ ቴማ ናይታ ብዙሕ ኣድናቖት ዝረኸበት ጸወታ፡ ምትእስሳር ኢዩ ይብል። \"እዚ ዘለናዮ መዋእል ውልቃውነት ዝነገሰሉ ኢዩ'' ክብል ሃይዲዮ ኣብ ቶክዮ ካብ ዝርከብ ስቱድይኡ ንሬድዮ 1 ኒውስቢት [Radio 1 Newsbeat] ገሊጽሎም። ኣብዚ እዋን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ብመርበብ ሓበሬታ [Internet] ተራኺብና ክንከውን ንኽእል፡ ኣዚና ስለዝተኣሳሰርና ድማ ሰባት ነንሕድሕዶም ይትሃሳሰዩ ኣለው። ኣባላት ኒውስቢት፡ መወዳእታ ነታ ሃይዲዮ ኮጂማ ዲዛይን ዝገበራ 'ዴዝ ስትራንዲንግ' እትብል ጌም ንምርኣይ፡ ኣብቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ጃፓን፡ ቶክዮ፡ ዝርከብ ስቱድዮ ኮጂማ ፕሮዱክሽን ሰለስተ መዓልቲ ገይሮም ነታ ጸወታ ንምጽዋትን ምርኣይን። እቲ ስቱድዮ ኣብ ጫፍ ናይቲ ብጻዕዳ መብራህቲ ዝተኾልዐ ኮሪዶዮ ስለዝነበረ ድማ ብሓቂ ኣብ ሓንቲ ናይ ጠፈር መንኮርኮር ዘሎኻ ኢዩ ዝስምዓካ። እቲ ማዕጾ ክኽፈትን እቲ መብራህቲ ሓደ ብሓደ ክውላዕን ከሎ ድማ ኣብ ቤት ሲኔማ ዘሎኻ ይመስለካ ኢሎም ኣባላት ኒውስቢት። ኣብ ውሽጢ እቲ ስቱድዮ፡ ኣስታት 100 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት፡ እቲ ጌም ከምቲ ዝድለ ይሰርሕ ከምዘሎ ንምርግጋጽ ብህድኣት ይፍትሹ ነይሮም። እታ ሓዳስ ጸወታ ናብ ህዝቢ ትዝርግሓሉ ህሞት ይቀራረብ ስለዝነበረ ድማ እቶም ሰራሕተኛታት ስጋብ ክንደይ ኣብ ስራሕ ተጸሚዶም ከምዝነበሩ ትርዳእ። ይኹን ድኣ'ምበር ኩሉ ኣብቲ ስቱድዮ ዝነበረ ኩነታት ህድኣትን ጸጥታን ዝዓሰሎ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ነታ ካብ 2016 ጀሚሮም ዝጽዕቱላ ዝነበሩ ጸወታ ናብቲ ብሃንቅውታ ዝጽበያ ዝነበረ ህዝቢ ንምዝርጋሕ ኣብ ዝሸባሸቡሉ ዝነበረ ህሞት፡ ኣብታ ሱቱዲዮ ምንባርና ፍሉይ ስምዒት ኢዩ ኣሕዲሩልና ኢሎም ኣባላት ኒውስቢት። ሓደ ንጹር ዝኾነልና ጉዳይ እንተሎ፡ እቲ ነታ ጸወታ ዝመሃዘ ሰብ ክሳብ ክንደይ እቲ ጸወታ ነቲ መልእኽቲ ናብቲ ዘበናዊ ሕብረተሰብ ከምዘብጽሓሉ ምፍላጥ ኢዩ። ''ኣብዚ እዋን ፕሬዚደንት ትራምፕ ምስ ሜክሲኮ ኣብ ዘዳውቦ ግዝኣት ኣሜሪካ መንደቕ ይሃንጽ ኣሎ'' ክብል ገሊጹልና ሂደዮ ኮጂማ። ''መንግስቲ እንግሊዝ ድማ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ንምውጻእ ጉዳይ ብሬግዚት ኣብ መስርሕ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ድማ ብዙሓት መንደቓት ይህነጹ ከምዘለው ይስምዓካ፡ እንተኾነ ሰባት ብዛዕባ ነብሶም ጥራይ ይሓስቡ ኣለው'' ኢሉ ኮጂማ። ''ኣብ 'ዴዝ ስትራንዲንግ' ግና ሰባት ንምርኻብ ቢንቶታት ንጥቀም። ክልተ ኣማራጺታት ድማ ኣለዎም፡ ነተን ቢንቶታት ክጥቀሙለን ወይ ድማ ከዕንውወን። ስለዚ እቲ ጸወታ ሰባት ብዛዕባ ትርጉም ምትእስሳር ክሓስቡ ትድርኾም'' ኢሉ ኮጂማ። ኮጂማ ኣብ መግለጺኡ እታ ጸወታ ንዝኾነት ሃገር ወይ ድማ ማህበረ ሰብ ዘነጻጸረት ከምዘይኮነትን፡ ሰባት ዳግም ንምሕባር ዝዓለመት ከምዝኾነት ጸቒጡ ተዛሪቡ። ''ምስ ንሓብር ንሓድ-ሕድና ክንተኣላለ ሓላፍነት ይህልወና። ማሕበራዊ መራኸቢታት ግና ከምዚ ዓይነት ሓላፍነት ዘለወን ኣይመስለንን። ንኣብነት- ኣብ ንሓድ-ሕድካ ዝግበር ሓልዮት ኢዩ ንሰባት ዘሐጉሶም። ቀደም ከምኡ ኢና ኔርና።'' ''ስለዚ ሰባት በዛ ጸወታይ ነቲ ቀደም ዘሕለፍናዮ ጽቡቕ እዋን ክዝክርዎ እደሊ'' ኢሉ ኮጂማ።''ኮጂማ ብጽምዋ ከምዝተበልዐን ካልኦት ብዙሓት ከምኡ ዝኣመሰሉ ኣብዛ ዓለም ዝነብሩ ሰባት፡ ብፍላይ ድማ ጌም ዝጻወቱ ሰባት ከምዘለዉ ይሓስብ። ስለዚ እቶም ሰባት ነዛ ጌም ኣብዝጻወቱላ እዋን ካልኦት ከምኦም ኣብዛ ዓለም ዝነብሩን ብጽምዋ ዝተበልዑን ሰባት ከምዘለው ይግንዘቡ። ዋላ ኣነ'ውን ሓደ ካብቶም ብጽምዋ ዝተበልዑ ሰባት እንተኾንኩ፡ ካልኦት ሰባት እንተላይ ኣነ'ውን ነዛ ጌም ኣብንጻውተሉ እዋን ቅሳነት ይስምዓና'' ኢሉ ኮጂማ። ዴዝ ስትራንዲንግ፡ ኮጂማ ካብቲ ናይ ቀደም ኣስራሒኡ ኮናሚ ድሕሪ ምፍልላይዩ ፡ ባዕሉ ኣብ ዝውንና ስቱድዮ ተጠቒሙ ዝዘርግሓ ቀዳመይቲ ጌም ኢያ። ኮጂማ ነቲ ናይ ጌም ኢንዱስትሪ ፍጹም ዝለወጦ ሜታል ጊር [Metal Gear] ዝተባህለ ተኸታታሊ ጌም ድሕሪ ምዝርግሑ ኢዩ ተፈላጥነት ዘጥረየ። ዕውታት ውድድር ምህዞ-ቴክኖሎጂ ሎሚ መዓልቲ ክግለጽ'ዩ ሃገረይ ኢትዮጵያ፡ ብቴክኖሎጂ ናይ ምስግጋር ሕልሚ አለኒ ምህዞ ግራመፎውን ንድምፃውያን እንታይ ረቢሑ? ብዙሓት ነታ ብ8 ሕዳር ዝተዘርገሐት ዴዝ ስትራንዲንግ፡ ዝተሓዋወሰ ትጽቢታት ኢዩ ነይርዎም፡ ገሊኦም እንታይ መልእኽቲ ከምትህቦም ርግጸኛታት ኣይነበሩን። እቲ ጸውታ ቅድሚ ምዝርግሑ ኣብ ዝቐረቡ ፕሮስማሜንቶ [trailers] ኣብ ገምገም ባሕሪ ናይ ዝሞቱ እንስሳታትን፡ ናይ ሓደ ኣብ ውሽጢ ጠርሙዝ ዝተዓቀበ ህጻንን ዘይጭበጥ ረቂቕ መንስፈን ኢዩ ዘርኢ ነይሩ። ካብዚ ብምብጋስ ኢዮ ድማ ብዙሓት እዚ ኹሉ እንታይ ማለት'ዩ? ክብሉ ዝሓቱ ነይሮም። እቶም ንዓመታት ትሕዝቶ ናይዛ ጌም ክጽበዩ ዝጸንሑ ተጻወቲ ድማ ድሕሪ ቕሩብ ኩሉ ትሕዝቶኣ ክበርሃሎም ኢዩ።እንተኾነ፡ ተጻወቲ ጌም ንምትእስሳር ዝግበር ጻዕሪ፡ ከምቲ ትርኢቱ፡ ቀሊል ኣይኮነን። ገለ ተጻወቲ ብጸወታ ጌም ንዓመታት ስለዝተመረዙ ካብቲ ወልፊ ክናገፉ ኣይክእሉን ኢዮም ዝብል ብሂላት ነይሩ።ከም ብዓል ኮጂማ ዝኣመሰሉ ክኢላታትን ካልኦትን ነቲ ዝብሃል ፍታሕ ንምንዳይ ክጽዕቱ ጸኒሖም ኢዮም። ''ምስ ካልኦት ተጻወቲ ብዓባይ-ዓባይቶኻ ናይ ተቐባልነት [thumps up] ምልክት ወይ ድማ ናይ ይፈትወካ [likes] ምልክት ብምርእይ ስለትዋሳእ፡ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ብኣሉታ ክትዋሳእ ኣይትኽእልን ኢኻ'' ኢሉ ኮጂማ። ኣብዚ ቀረባ እዋን እቶም ተጻወቲ ንኻልኦት ተጻወቲ ዕድል ብምሃቦም እቲ ጌም ካብ ምሉእ ዓለም ምስጋና ክበጽሖ ኢዩ። ''ኣብ ትጻወተሉ እዋን ንኽልኦት ከመይ ጌርካ ከምትሕግዞም ክትሓስብ ትጅመር'' ኢሉ ኮጂማ። እዚ ናይ ኮጂማ ኣተሓሳስባ ክሰርሕ ይኽእል ዶ? ክሳብ እቲ ጌም ናብ ዕዳጋ ዝውዕልን ኣብ ዓለም ዝርከቡ ተጻወቲ ድማ ኣብ ክንዲ ሳም ፖርተር ኮይኖም ክጻወቱ ዝጅምሩ ንምግማቱ ከጸግም ኢዩ።እቲ ጸወታ ጽቡቕ ዲዩ? ኣስታት 40 ሰዓታት ዝኣክል ተጻዊተ፡ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረኒ ተመክሮ ኣይኮነን ነይሩኒ። ምኽንያቱ' እዚ ጸወታ'ዚ ብዓነቱን ቅዴ ኣጸዋውትኡን ምስቶም ካልኦት ጸወታታት ንምስርዑ ኣሸጋሪ ኢዩ። እዚ ጸወታ'ዚ መገሻ፡ ዕንደራን ብሓባር ምጽዋትን ስለዘጠቓልል፡ እዚ ናይ ሂድዮ ኮጂማ ጸወታ፡ እቲ ዛንታ ንምምዕባሉ ኣብቲ ተኣሪሙ ዝወጸ ዓውደ-ፍጻመ ኢዩ ዝይዳ ዝምርኮስ። እቲ ሕመረት ናይቲ ጸወታ ኣብቲ ታባን ኩርባንና ኣጻድፍን ኣኻውሕን ዝመልኦ ቦታ መልእኽቲ ምትሕልላፍ ክኸውን ከሎ እቲ መስርሕ ብፍላይ ነቶም ቅልጡፍ ጸወታ ዝፈትው ተጻወቲ ኣዝዩ ኣሰልካዪ ክኸውን ይኽእል። እንተኾነ ንኽትዕወት ትዕግስቲ የድልየካ። ኣብቲ ስቱድዮ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ናይ ኮጂማ ጽልዋ ኣብ ምስያም እቲ ጸወታ ብንጹር የርእየካ። እቲ ምስያም እቲ ጸወታ ኣብ ናይ ሓደ ሰብ ራእይ ዝተመርኮሰ ከምዝኾነ'ውን ትርዳእ። ''ኣብቲ ፈለማ እዋን ነቲ ጸወታ ነቶም መሳርሕተይ ምስኣቕረብኩሎም ኣሉታዊ ርእይቶ ኢዮም ሂቦምኒ። ልኽዕ ከምቲ ኣብ መጀመርታ 90ታት ሓደ ሰላሕታዊ ምንቅስቓስ ዘለዎ ቅዲ ጸወታ ንምስራሕ ኣብዝፈተንኩሉ እዋን ዘጓነፈኒ ዓይነት ርእይቶ ኢዩ ቀሪቡለይ። ምስፈተንዎ ግና እቲ ጸወታ ክርድኦም ጀሚሩ። ካብኡ እቲ መስርሕ ብቕልጡፍ ማዕቢሉ'' ኢሉ ኮጂማ። ''እቶም ነዚ ጸወታ ዝተጻወቱ ሰባት በቲ ጸወታ ክዘናግዑ፡ ስምዒቶም ከለዓዕሎ ወይ ድማ ክትንከፉ ወይ'ውን ክግረሙ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ካብቲ ጸወታ ዝረኸብዎ ተመክሮ ኣብቲ ሓቀኛ ዓለም ክትግብርዎ ኢዩ'' ኮጂማ ዝደሊ። ኣብ ሓደ እዋን ናይ ግድን ናብቲ ሓቀኛ ዓለም ክትምለስ ኣሎካ። ንዘልኣለም ክትጻውት ስለዘይትነብር። እቲ ጸወታ፡ ልዑል ኒሕ ዝህብ ይኹን ድኣ'ምበር ነቲ ኒሕ ንምጭባጥ ኣብቶም ኣብ ክንዲ ሳም ፖርተር ብሪጅስ ኮይኖም ዝጻወቱ ተጻወቲ ኢዩ ክምርኮስ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50457771"} {"headline":"ውድድር ቶክዮ ኦሎምፒክ ኣብ 2021 ክካየድ'ዩ ኢልካ ምሕሳብ 'ካብ ሓቂ ዝረሓቐ'ዩ'","content":"ዓለምለኻዊት ክኢላ ጥዕና፡ ኮሮናቫይረስ ክታበት እንተዘይተረኺብዎ፡ ኦሎምፒክ ቶክዮን ኦሎምፒክ ኣካለ ስንኩላንን፡ ከምቲ ተባሂልዎ ዘሎ ኣብ 2021 ክካየድ'ዩ ኢልካ ምሕሳብ 'ካብ ሓቂ ዝርሓቀ'ዩ\" ኢላ። ፕሮፌሰር ደቪ ስሪድሃር፡ ውጽኢታውን ናብ ኩሉ ክባጻሕ ዝኽእል ክታበት እንተተረኺቡ ጥራይ ውድድራት ኦሎምፒክ ኣብቲ ተሓሲብሉ ዘሎ ግዜ ክካየድ ከም ዝኽእል ትሕብር። ፈጻሚ ሽማግለ ዓለምለኻዊ ኦሎምፒክ ኮሚቴ 2020፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝገበሮ ኣኬባ፡ እቲ ናብ 2021 ዝተሰጋገረ ኦሎምፒክ ኣብቲ ተሓሲብሉ ዘሎ ግዜ እንተተኻይዱ \"ናብ መላእ ዓለም መልእኽቲ ተስፋ ከስርጽ'ዩ\" ኢሉ'ዩ ደምዲሙ። እንተኾነ ኣቦ መንበር ኣወሃሃዲ ዓለምለኻዊ ኦሎምፒክ ኮሚቴ ጆን ኮትስ፡ ኮቪድ-19 ነቲ መዓልቱ ተናዊሑ፡ ካብ 23 ሓምለ ክሳብ 8 ነሓሰ 2021 ክካየድ ውጥን ተታሒዝሉ ዘሎ ኦሎምፒክ ብኸቢድ ክጸልዎ ከምዝኽእል ገሊጹ'ሎ። ኣቦ መንበር ኣወሃሃዲ ዓለምለኻዊ ኦሎምፒክ ኮሚቴ ጆን ኮትስ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ምምርማር ኣትሌታትን ምእካብ ህዝብን ኣብ ዝምልከት እቲ ኮሚቴ ብውድብ ጥዕና ዓለም ብዝውሃቡ መምርሒታት ተማእዚዙ ከምዝኸይድ ሓቢሩ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ኢደንበርግ ኣደ ወንበር ዓለምለኻዊ ጥዕና ዝኾነት ፕሮፌሰር ስሪድሃር እቲ ካብ 2020 ናብ 2021 ዝተሰጋገረ ውድድራት ኦሎምፒክ ክካየድን ዘይክካየድን ኣብ ምርካብ ክታበት ከምዝምርኮስ'ያ ትሕብር። \"ተመራመርቲ ከምዝሕብርዎ ዘለዉ፡ ምርካብ ክታበት ተኽእሎ ከምዘለዎ ክንርዳእ ክኢልና ኣለና፡ ዓመት ወይ ዓመትን ፈረቃን ክወስድ ይኽእል'ዩ፡ መን ይፈልጥ ቅድሚኡ'ውን ክርከብ ይኽእል'ዩ\" ትብል። ፕሮፌሰር ስሪድሃር ብምስዓብ \"እቲ ክታበት ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት እተተረኺቡ'ውን፡ ኦሎምፒክ ኣብ ዝተወጠኖ ግዜ ክካየድ እንተኾይኑ፡ እቲ ክታበት ርትዓውን ኣብ ኩሉ ዝባጻሕ ክኸውን ኣለዎ\" \". . . እዚ እንተዘይኮይኑ ግን ኦሎምፒክ ኣብቲ ተመዲብዎ ዘሎ ግዜ ክካየድ'ዩ ኢልካ ምሕሳብ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ'ዩ\" ኢላ። ፕሮፌሰር ስሪድሃር \" እቶም ኮሚቴ'ውን ንሓደ ዓመት'ሞ ከነናውሖ፡ ቀስ ኢልና ግዜ ርኢና ዳግመ ግምት ንገብር ምባሎም ቅቡል'ዩ\" ትብል። ኣብታ ነዚ ውድድር ኦሎምፒክ ከተካይድ ትሸባሸብ ዘላ ሃገር ጃፓን፡ ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ክሳብ ግንቦት 6 ዝጸንዕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ተደንጊጉ'ሎ። ኮሚቴ ኦሎምፒክ ምስ ኣብ ጃፓን ዝርከቡ ኣወሃሃድቲ ሽማግለ ኦሎምፒክ፡ ብኮትስን ብፕረዚደንት ዮሺሮ ሞሪ ዝምራሕ ሓባራዊ ኮሚቴ ብሙቋም እቲ ኣብ 2021 ክካየድ ዝተመደብ ኦሎምፒክ ተፈጻምነት ንክህልዎ ኣብ ምጽዓር ይርከቡ። ፕረዚደንት ዮሺሮ ሞሪ \"እቲ ውድድር ኣብ መጋቢት 24 ናብ 2021 ክናዋሕ ምስ ተወሰነ፡ ካብታ ዕለት ጀሚርና ሓዲሽ ሓይሊ ዕማም ብምቋም፡ ንኩሉ ዘይግምታዊ ክስተታት ብምክትታል ከመይ ክብዳህ ከምዝኽእል ኣብ ምምይያጥ ኣለና\" ኢሉ። ብፕረዚደንት ዮሺሮ ሞሪ ብምስዓብ \"ሎሚ እንገብሮ ሓደ ስጉሚ ነቲ ንዓመታ ዝኻየድ ውድድር ኣብ ግዚኡ ንኽካየድ ወሳኒ ተራ'ዩ ክህልዎ፡ ንዝሓለፈ ሓሙሽተ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ምድላው ኢና ጸኒሕና፡ ሕጂ'ውን ምስ መሻርኽትና ብምዃን እዚ ውድድር ብዓወት ንኽዛዘም ክንሰርሕ ኢና\" ኢሉ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52344538"} {"headline":"ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ወታደራዊ ልምምድ ኣብ ዝጀመራሉ፡ ሰሜን ኮርያ ፈተነ ሚሳይል ኣካይዳ","content":"ሰሜን ኮርያ ክልተ ሚሳይል ቶኲሳ፤ እዚ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ንራብዓይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ፈተነ ምኳኑ ሰብ መዚ መክልኻል ደቡብ ኮርያ ኣፍሊጦም። ሰሜን ኮርያ፡ ከም ግብረ መልሲ እቲ ብሰኑይ ዝጀመረ፡ ጥሙር ወተሃደራዊ ልምምድ ደቡብ ኮርያን ኣሜሪካን ሕርቃና ንምግላጽ ነዚ ፈተነ ሚሳይል ከም ዘካየደቶ ኣፍሊጣ። እቲ ብጥሙር ሓይሊ ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ዝካየድ ወተሃደራዊ ልምምድ፡ እቲ ስሩዕ ታዕሊም ኣብ 11 ነሓሰ'ኳ ዝጅምር እንተኾነ፡ ቅድመ ምድላዋት ግን ካብ ሰኑይ'ዩ ጀሚሩ። ኣሜሪካ ብወገና፡ ነዚ ፈተነ ሚሳይል ሰሜን ኮርያ፡ ንደቡብ ኮርያን ጃፓንን እናተወከሰት ብቐረባ ትከታተተሎ ከም ዘላ'ያ ትግልጽ። ሰሜን ኮርያ ንምንታይ'ያ ፈተነ ሚሳይል ተካይድ ዘላ? እቲ ብሰሉስ ካብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰሜን ኮርያ ዝወጽአ መግለጺ፡ ዋላ ድኣ ፈተነ ሚሳይል ከም ዝተኻየደ ኣይግለጽ፡ እቲ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝካየድ ጥሙር ወተሃደራዊ ልምምድ ሓደሽቲ ሚሳይላት ንኸተማዕብልን ንክትፍትንን ከም ዘገድዳ'ዩ ዝገልጽ። እቲ መግለጺ ሰሜን ኮርያ፡ ንኣሜሪካን ንደቡብ ኮርያን ብምጥቃስ 'ኩሉ ዓይነት ሽርሕታተን' ይጻወታ ኣለዋ ብምባል 'እዚ ተተንዃሊ ባህሪኤን' ክኽወል ኣይክኣልን ክብል ገሊጹ። ብተወሳኺ እዚ ብደቡብ ኮርያን ኣሜሪካን ዝግበር ዘሎ ጥሙር ወተሃደራዊ ልምምድ፡ ቅሉዕ ምፍራስ ስምምዓት'ዩ ብምባል ነቲ ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ሰሜን ኮርያን ተጀሚሩ ዝጸንሐ ዝርርብ ዝዕንቕፍ'ዩ ይብል መግልጺ ሰሜን ኮርያ። ሰሜን ኮርያ ብሰንኪ ፈተነን ምምዕባል ሚሳይልን ኣደዳ እገዳታት ኣሜሪካ ኮይና እያ ጸኒሓ። ብሰኑይ'ውን ኣሜሪካ፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ናብ ሰሜን ኮርያ ምብጻሕ ኣካይዶም ዝፈልጡ ሰባት ናብ ኣሜሪካ ከይኣትዉ እገዳ ኣንቢራ ኣላ። እዚ ሕጊ እዚ ከኣ ንብዙሓት ነበርቲ ኣውሮጳ፣ ኣውስትራልያ፣ ኒውዝላንድ፣ ጃፓን፣ ታይዋንን ሲንጋፑርን ዝጸሉ እዩ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49246474"} {"headline":"ቻይና: 'ጸረ-ቫይረስ' ዝዓጠቓ መካይን፡ ሓቂ ድዩ?","content":"ኣፍረይቲ መካይና ቻይና ኣብ ጥዕና ዘሎ ሻቕሎት ኣተኩሮ ብምሃብ፡ ጸረ-ቫይረስ ዝዓጠቓ መካይን ክሰርሑ ከም ዝጀመሩ ይገልጹ። እተን ሓደስቲ መካይን፡ ኣብ ውሽጠን ንዘሎ ሰብ፡ ማዕረ እቲ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ማስክ ዝገበረ ሰብ ክከላኸላ እዩ እቲ ዕላማ። ኩባንያ ጊሊይ ዝርከቦም ኣብታ ሃገር ዘለው ዓበይቲ ኣፍረይቲ መካይን፡ እዚ ዓቕሚ ዘለወን ሓደስቲ ሞዴላት መካይን ንምፍራይ ተበጊሶም ኣለው። ቻይና ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ መሸጣ መካይን ምንቁልቋል ተራእዩ ኣሎ። ኩባንያ ጊሊይ ነቶም ኣብ ዓበይቲ ከተማታት: ብኩል ኣየር ዘሻቕሎም ሰባት ኢሉ ከማዕብለን ኣብ ዝጸንሐ መካይን ጸረ-ቫይረስ ከም ዝህልወን ክገብር እዩ። እዚ ንኣሽቱ ነገራት ናብታ መኪና ከይኣትው ዝገብር ቴክኖሎጂ፡ ነቶም ኣብታ መኪና ዝሳፈሩ ሰባት ካብ ሓደገኛ ባእታታት ክከላኸል እዩ። ብዘይካ'ዚ ጊሊይ፡ ንመትሓዚ ናይ ማዕጾ ካብ ባክተርያን ቫይረስን ነጻ ዝገብር ጸረ-ታሕዋስ ዝኾነ ባእታ የማዕብል ኣሎ። ወሃቢ ቃል ኩባንያ ጊልይ \"ሰባት ኣብ መካይኖም ነዊሕ ሰዓታት እዮም ዘጥፍኡ፤ ዳርጋ ካልኣይ ቤቶም እዩ። ንጥዕና ዝሓሸ ፍርያት ብምስራሕ ጥራይ ኢና ንጠለብ ዓማዊልና ክነማልእን ዝሓሸ ኩነታት ክንፈጥርን እንኽእል\" ኢሉ። ኩባንያ ጊልይ ኣብ መንጎ ሰራሕተኛቱን ዓማዊልን ክሕሉ ንዝኽእል ኣካላዊ ምትንካፍ ንምውጋድ፡ ንሓደስቲ ዓማዊሉ መፍትሕ ናይ ዝዓደግወን ሓደስቲ መካይን ክሳብ ኣፍደገ ገዝኦም ብድሮን (ሰብ ኣልቦ በረርቲ ማሽናት) የብጽሕ ኣሎ። ኩባንያ ኤስኤኣይሲ ብወገኑ፡ ነቲ ብመንገዲ ስርዓተ ምቁጽጻር ኩነታት ኣየር (ኣየር ኮንዲሽን) ናብ መኪና ዝኣቱ ኣየር ዘምክን ኣልትራቫዮለት ጨረር ዝሰድድ መሳርሒ፡ ኣብ ፍርያቱ ክገጥም ከም ዝኽእል ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣበዚ ጉዳይ መጽናዕትታት ዘካይድ ፍሮስት ኤንድ ሱሊቫን ዝተብሃለ ትካል፡ እዚ በዞም ኩባንያታት ዝውሰድ ዘሎ ስጉምትታት ሓቅነት ክህልዎ ከም ዝኽእል እዩ ዝገልጽ። ዋና ዳይሬክተር ጉጅለ መጽናዕቲ ዕዳጋ ቻይና ሻውነ ረይን ግና \"ኩባንያታት ነቲ ብዛዕባ ኮቪድ-19 ዘሎ ፍርሒ ብምምዝማዝ ፍርያቶምን ክሸጡን ብዙሕ ዋጋ ክሓትቱን ይደልዩ ኣለው\" ብምባል ተቓውምኡ ገሊጹ። ኣብ 2015 ኩባንያ ተስላ፡ ብኩል ኣየር ዘጻርይ መሳርሒ ዘለወን መካይን ናብ ዕዳጋ ቀሪቡ: ኣብ ቻይና ብዙሕ ጠለብ ረኺቡ እዩ። ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ፡ ቀለማት ዘፍሪ ኩባንያ ጃፓን፡ ወላ'ኳ ንኮሮናቫይረስ እንተዘይጠቐሰ፡ ጸረቫይረስ ዝኾነ ቀለም ከም ዘፍረየ ሓቢሩ ነይሩ። እቲ ቀለም ንሆስፒታላት ኢሉ ከም ዘዳለዎ ዝገለጸ እቲ ትካል፡ ፍርያቱ ኣብታ ማእከል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝኾነት ውሃን ዝርከቡ ንኣርባዕተ ሆስፒታላት ለጊሱ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52504669"} {"headline":"ኣመሪካ፡ ቻይና ኣብ ደቡባዊ ባሕሪ ቻይና እትገብሮ ናይ 'ምህዳድ ተግባራት' ደው ከተብሎ ጸዊዓ","content":"ቻይና፡ ኣብ ደቡባዊ ባሕሪ ቻይና እትኽተሎ ዘላ መናውራታት \"ፍጹም ሕጋዊ ከም ዘይኮነ\" ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፒዮ ሓቢሩ። ንሱ፡ ቻይና ኣብተን ኣከራኸርቲ ደሴታት እትገብሮ ናይ \"ምህዳድ ጎስጓስ\" ጌጋ ከም ዝኾነ ንጹር ክኸውን ኣለዎ ኢሉ። ቻይና ብወገና፡ ኣመሪካ \"ኮነ ኢላ ነቲ ዘሎ ክውንነትን ዓለምለኻዊ ሕግን ትጠዋውዮ\" ኣላ ክትብል ትኸሳ። ቻናይ፡ ኣብቲ ኣኸራኻሪ ቦታ መዓርፎ ነፈርቲ ክትሃንጽን ክተዕልብን ምስ ጀመረት ንብዙሓት ጎረባብቲ ሃገራት ኣቆጢዐ'ያ። ፊሊፒንስ፣ ታይዋን፣ ማሌዥያ፣ ቬትናምን ብሩናይን ኣብ ደቡባዊ ባሕሪ ቻይና ንዝርከባ ደሴታት ናይ ይግባኣኒ ሕቶ ከምዘቕርባ ይፍለጥ። መራኽብን ነፈርቲን ኣመሪካ፡ ናብተን ቻይና ናይ ህንጻ ስርሓት ብምስልሳል ከም መዓስከራት እትጥቀመለን ዘላ ደሴታት እናተጸግዓ፡ ነገር ይጽሕትራ ምህላወን'ያ ቻይና ትኸስስ። ቻይና፡ ኣብ ምብራቓዊ ባሕሪ ተደኲነን ዝርከባ ደሴታት ናታ ምዃነን ብምግላጽ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ ክተእትወን እንከላ፡ ጃፓን፣ ፊሊፒንስን ቬትናምን በብወገነን እተን ደሴታት ከም ዝብጽሕአን ብምግላጽ ይካትዓ። ቻይና ነቲ ካብ ጎረባብታ ሃገራት ዝቐርበላ ሕቶታት ዕሽሽ ብምባል፡ ኣብተን ኣከራኸርቲ ደሴታት ወተሃደራዊ ንጥፈታታ እናኣሓየለቶ ክትመጽእ ጸኒሓ'ላ። እዚ ኣብ ደቡባዊ ባሕሪ ቻይና ኣብ ዘሎ ኣካታዒ ደሴታት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ቻይናን ጐረባብቲ ሃገራትን ኣብ ወጥሪ ኣእቲይወን ይርከብ። ማያት ደቡባዊ ባሕሪ ቻይና ማእከል ዓለምለኻዊ መተሓላለፊ መስመር መራኽብ ከምኡ'ውን ማእለያ ዘይብሉ ዕቑር ነዳዲ ዘይቲ፣ ባህርያዊ ጋዝን ማዕድናትን ኣለዎ። ኣመሪካ፡ ንነዊሕ እዋን ነቲ ቻይና እትወስዶ ስጉምትታት ንቊጠባዊ፣ ፖለቲካውን ስታራቴጂካውን ረብሓታት እቲ ዞባ ዘርብሕ ኣይኮነን ብምባል ብቐጻሊ ክትኩንኖ ከም ዝጸንሐት ይፍለጥ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/53372780"} {"headline":"ጃፓን፡ 'ክርስትያን መስቀል የሱስ ክርስቶስ ከረግጹ ይግደዱ ነይሮም'","content":"መራሒ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ትሚሊ ቀዳም ንጃፓም ኣትዩ። ኣብታ ሃገር ኣብ ዝጸንሓሉ ግዜ ነቶም ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብኣቶሚክ ቦምብ ዝሞቱ ንምዝካር ናብ ከተማ ናጋሳኪ ክኸይድ እዩ። ብኻልእ ወገን'ውን፡ ካልኦት ፍሉጣት ዘይኮኑ ጉጅለታት፡ ግን ከኣ ብሰንኪ እምነቶም ዝተሳቐዩን ዝተሰወሩን ሕብረተሰብ ክረክብ እዩ። ሓደ ሰብኣይ ኣብ መስርዕ ኮይኑ ስሙ ንኽጽዋዕ ብውጥረት ይጽበ። ምስተጸወዐ ድማ ንቕድሚት ቀሪቡ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ብሩር ክረግጾ ይንገሮ። እቲ ብሩር ስእሊ የሱስ ክረስቶ እዩ ዘሎዎ። ከምቲ ዝተኣዘዞ እንተዘይረጊጹ፡ እምነቱ ክሒዱ ኣሎ ማለት እዩ። እንተዘይኮኑ ግን፡ መቕተልቲ፡ ስቓይ ክበጽሖ ይግበር ወይ'ውን ንቑልቑል ኣፉ ይእሰር። ዝኾነ ጥርጣረ እንተኣርእዩ፡ ህይወቱ ክስእና ይኽእል። እዚ ከምዚ ዓይነት ተግባር ኣብ ናይ 17 ክፍለ-ዘመን ናጋሳኪ ልሙድ ባህሊ ነይሩ። ናጋሳኪ ከተማ ናጋሳኪ፡ ኣገዳሲት ወዳባወቲ ከተማ ኮይና፡ ኣብ 1560 ካብ ፖርቱጋል ካብ ዝመጽኡ ማሕበር የሱሳውያን ኣቢላ ምስ ሃይማኖት ክርስትና ተላልያ። እብቲ እዋን ግዝኣት ፖርቱጋላውያን ካብቶም ዝሓየሉ ነይሩ። ኣብ ኣፍሪቃን ኤስያን ድማ ወተሃደራዊ መዓስከራት ነይርዎ። እዞም ማሕበር የሱሳውያን፡ ነቶም መሳፍንቲ ናብ ክርስትና ከእትውዎም ጀሚሮም። ገሊኦም መሳፍንቲ ድማ ናብ ክርስትና ምእታው 'ኣብ ንግዲ ክሕግዘና እዩ' ብምባል ኣትዮም። ኣብ ትሕቲ መሳፍንቲ ዝሰርሑ ዝነበሩ ብዙሓት ስራሕተኛታት ናብ ክርስትና ክኣተው ተገዲዶም ወይ ተጸሊዮም። ኣብ 17 ክፍለ-ዘመን ድማ፡ ናጋሳኪ \"ሮማ ናይ ጃፓን\" ኮይና። ኣብቲ እዋን፡ ከባቢ 500 ሽሕ ሰባት ከም ክርስትያን ይፍለጡ ነይሮም። ምስ ግዜ ግን፡ መራሕቲ ፖለቲካ ጃፓን፡ እቲ ዝዓቢ ዝነበረ ሃይማኖት ስግኣት ክፈጥረሎም ጀሚሩ። ኺጭፍልቕዎ ከኣ ወሲኖም። እቶም መራሕቲ፡ ንሃይማኖት ክርስትና ካብ ሱሩ ክምሕውዎን፡ ነቶም ኣብታ ሃገር ስግኣት ይፈጥሩ ኣለው ዝበልዎ ወጻእተኛታት ስጉምቲ ክወስዱን ጀሚሮም። ኣብ መፋርቕ 16 ክፍለዘመን፡ ኣስታት 26 ሚስዮናውያን ኣብ መስቀል ተሰቂሎም ተቐቲሎም። እዚ ድማ መበገሲ እቲ ኩሉ ክመጽእ ዝነበሮ ስቃይን ሞትን ክርስትያን እዩ ነይሩ። ኣብ 1614 ዓ.ም፡ ኣብ መላእ ጃፓን ኣብ ልዕሊ ክርስትና እገዳ ተኣዊጁ። ናይ ወጻኢ ሃገር ሚስዮናውያን ኰይኖም ዝሰርሑ ዝነበሩ ተጠሪዞም። ዝኣበዩ ድማ ይእሰሩ ወይ ይቕተሉ። ዘይውዳእ ስቃይ ኣብ ከባቢ 1620፡ ሰበ-ስልጣን ጃፓን፡ ነቲ ሃይማኖት ንምጥፋእ እኹል ዘይምዃኑ ኣረጋጊጾም። ነቲ ሃይማኖት ካብ ልቢ እቲ ህዝቢ ንምጥፋእ፡ ኣብ ኣደባባይ ዝግበር መቕጻዕቲ ከተኣታተው ወሲኖም። እቲ ፍታሕ ዝበልዎ ድማ፡ ንምስሊ የሱስ ክርስቶስን ማርያምን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ወጺእካ ብእግርካ ምርጋጽ እዩ ነይሩ። ኣብ ነጋሳኪ ዝነበር ነፍሲ-ወከፍ ሰብ፡ ነዚ ተግባር ከዘውትር ተኣዚዙ። ብዙሕ ከይጸነሐ ድማ፡ ዓመታዊ ልምዲ ኮይኑ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ሓዲሽ ዓመት እቲ ህዝቢ ከምኡ ክገብር ጀሚሩ። ኩሉ ሰብ፡ ሓለፍነቶም ብዘየገድስ፡ ሕሙማት ወላ ይኹኑ፡ ምስሊ የሱስ ክርስቶስን ማርያምን ኣምጺኦም፡ \"ብእግሮም ረጊጾም ክሕምሽሽዎ ግዴትኦም ነይሩ\" ይብል ፕሮፈሰር ማርቲን። \"እዚ ብጥንቃቐ ዝተሓስቡሉ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ኣብቲ እዋን እቶም ክርስትያን ኣብ ምስሊ ተመርኲሶም እዮም ዝጽልዩ ነይሮም\" ድማ ይብል። ምስ ግዜ፡ እቶም ክርስትያን፡ ነቲ ምስሊ ክረግጹ ጀሚሮም። ንዝኣቡዩ ድማ ኣሳቂዮም ይቐትልዎም ነይሮም። \"ሓሓንሳብ፡ ነቶም ዝኣበዩ ክርስትያን፡ ኣብ ልዕሊ ቀልቀል ዝመልኦ ጉድጓድ ይሰቕልዎም ነይሮም\" ይብል ተመራመሪ ታሪኽ ፓራሞር። ናይዚ ኩሉ ዕላማ ድማ፡ ንምቕታል ዝዓለመ ዘይኮነ \"መንፈሶም ንምስባር\" እዩ ነይሩ። \"ኣብ ገሊኡ እዋናት፡ ነቶም ክርስትያን ከሳቕይዎም እንከለው፡ ሓኪም ይከታሎም ነይሩ። እቲ ሓኪም፡ ክሞቱ ምስ ቀረቡ ዘድሊ ሕከምናዊ ረድኤት ሂቡ ናብ ጥዕና ይመልሶም፡ እንደገና ድማ የሳቕይዎም\" ይብል። በቲ ስቃይ፤ ኣስታት 2000 'እምነትና ኣይንክሕድን' ብምባል ብመስዋእትነት ሓሊፎም። ካልኦት ከኣ እምነቶም ዝከሓዱ መሲሎም፡ ብሕቡእ እምነቶም ከዘውትሩ ጀሚሮም። ሃል ከምዝገለጾ፡ \"እቶም ክርስትያን ኣምላኽ ይቕረ ግበረልና እናበሉ ገዝኦም ይምለሱ ነይሮም\" ይብል። ገሊኦም ድማ \"ነቲ ዝተጠቕሙሉ ጫማ ኣንዲዶም ምስ ሓማኹሽትን ማይን ሐዊሶም ከም ንስሓ ይሰትይዎ ነይሮም\" ክብል ይዛረብ። ተሓቢኦም ሃይማኖቶም ከዘውትሩ ጀሚሮም። ንሊዕሊ 200 ሚእቲ ዓመት ድማ ምስ ዝኾነ ናይ ወጻኢ ሚስዮናውያን ርክብ ኣይነበሮምን። መዓስ ክመሓየሽ ጀሚሩ? ኣብ መወዳእታ መበል 19 ክፈለ-ዘመን፡ ሃገረ ጃፓን ዶባታ ከምብሓድሽ ክትከፍት ጀሚራ። ኣብ 1858 ነቲ ተግባር ኣብ ናጋሳኪ ሰሪዞሞ። ኣብ 1879፡ ድሕሪ ክልተ ክፍለ-ዘመን፡ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ተጸኒዑ ዝነበረ እገዳ'ውን ተላዒሉ። \"ጃፓን ዶቦታ ምስ ከፈተት፡ ከባቢ 20 ሽሕ ክርስትያን ካብቲ ተሓቢኦምሉ ዝነበሩ ወጺኦም\" ይብል ሙሊን። እዚ ማለት ድማ ይብል ንሱ፡ እቶም ጃፓናውያን መራሕቲ ዝወሰድዎ ስጉምቲ፡ ውጽኢታዊ ከምዝነበረን፡ ካብ 50 ሽሕ ናብ 20 ሽሕ ከውርዶ ከምዝኸኣለን ይዛረብ። ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ኣብ ናጋሳኪ እንከሎ፡ ንዝኽሪ እቶም 25 ብሰማዕትነት ዝሞቱ ሰባት ኣብ ዝተሃነጸ ሓወልቲ ክበጽሕ እዩ። ሎሚ ካብ 126 ሚልዮን ህዝቢ ጃፓን፤ ከባቢ 1% ሚእታዊት ጥራሕ ክርስትያን እዮም። መስል ዋንነት ስእሊ ዝተሓለወ እዩ","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50536111"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ኣሜሪካ ኣብ ጃፓን ኣብ መርከብ ተወሺቦም ዝጸንሑ ዜጋታታ ወሲዳ","content":"ኣሜሪካ፡ ኣብ ጃፓን ኣብ መርከብ 'ዳየመንድ ፕሪንሰስ' ተወሺቦም ዝጸንሑ ዜጋታታ ብኽልተ ነፈርቲ ወሲዳቶም። እተን ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝተኻረያ ነፈርቲ፡ ሰኑይ ንጉሆ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ቶክዮ ከም ዝነቐላ መራኸቢ ብዙሓን ጃፓን ሓቢረን። ኣብታ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ካብ 3 ለካቲት ጀሚራ ተታሒዛ ዝጸንሐት መርከብ ዳየመንድ ፕሪንሰስ፡ ከባቢ 400 ኣሜሪካውያን ሒዛ ምንባራ ይግለጽ። ካብኣቶም ብውሕዱ 40 ኣሜሪካውያን በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ከምዘለውን ኣብ ጃፓን ሕክምናዊ ክንክን ከም ዝግበረሎምን ተፈሊጡ። ኣብታ ኣብ ወደብ ዮኮሃማ ተወሺባ ዘላ መርከብ ዳየመንድ ፕሪንሰስ ከባቢ 3700 ገያሾን ሰራሕተኛታትን ምህላዎም ይግለጽ። ሓደ ካብቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ገያሾ፡ ኣብ ሆንግ ኮንግ ምስ ወረደ እቲ ቫይረስ ምስ ተረኽቦን እዩ እታ መርከብ ክትውሸብ ዝተወሰነ። እታ መርከብ ካብ ቻይና ወጻኢ ዝበዝሑ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ዝርከቡሉ ስፍራ ኮይና ኣላ። ሰብመዚ ጃፓን ብሰንበት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ቁጽሪ ናይቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ካብ 70 ናብ 355 ከም ዝደየበ ገሊጾም። እቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ኣሜሪካውያን ኣብ ጃፓን ሕክምና ከም ዝግበረሎም ዳይረክተር ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ኣለጅን ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ዶክተር ኣንቶኒ ፋውቺ ተዛሪቡ። ዛጊት ቁጽሪ ናይቶም ናብ መደበራት ሓይሊ ኣየር ዝግዕዙ ኣሜሪካውያን ኣይተነጸረን ኣሎ። \"ኣብተን ነፈርቲ ምልክታት እቲ ቫይረስ ዝተርኣዮም ገያሾ ከም ዝፍለዩ ክግበር እዩ\" ኢሉ ዶክተር ፋውቺ። እቶም ናብ ኣሜረካ ዝጎዓዙ ዜጋታት ኣብ ርእሲ እቲ ኣብታ መርከብ ዝጸንሕዎ፡ ን14 ተወሳኺ መዓልቲ ክውሸቡ እዮም። ገለ ኣሜሪካውያን ግና ምውሻብ እታ መርከብ ክሳዕ ዘብቅዓሉ፡ 19 ለካቲት ኣብታ መርከብ ክጸንሑ ምኳኖም ብምግላጽ ናብ ሃገሮም ምዃድ ኣብዮም። ሓደ ካብኣቶም ዝኾነ፡ ማት ስሚዝ ዝተብሃለ ጠበቓ፡ በቲ ሕማም ተለኺፎም ክኾኑ ምስ ዝኽእሉ ሰባት ናብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ብኣውቶቡስ ክኸይድ ከም ዘይደልይ ተዛሪቡ። ዜጋታት እስራኤል፡ ሆንግ ኮንግን ካናዳን እውን ክግዕዙ ምዃኖም ተፈሊጡ'ሎ። መንግስቲ ጃፓን ነቲ ኩነታት ንምህዳእ፡ ነቶም ኣብታ መርከብ ተታሒዞም ዘለው ገያሾ 2,000 ኣይፎን ዝዓይነተን ቴለፎናት ከም ዝዓደለ ተገሊጹ። እቶም ገያሾ ኣብተን ቴለፎን ዝተጻዕነ ብሚኒስትሪ ጥዕና ጃፓን ዝማዕበለ መተግበሪ (ኣፕ) ብምጥቃም ምስ ሓካይም፡ ፋርማሲስትን ኣማኸርቲ ጥዕና ኣዕምሮን ክራኸቡ ክኽእሉ እዮም። ኣብ ጃፓን ዘይተመዝገባ ቴለፎናት ግና ነቲ መተግበሪ ክጥቀማ ኣይኽእላን።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51527691"} {"headline":"ጭሕሚ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኮርያ ንምንታይ ኣዛራቢ ኮይኑ?","content":"ሃሪ ሃሪስ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣምባሳደር ኣመሪካ እዩ። ናቱ ጭሕሚ፡ ንሕሉፍ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናይ'ታ ሃገር ዘዘክር እዩ ብዝብል እዩ ንብዙሓት ከዘራርብ ቀንዩ። ነዚ ስዒቡ ድማ ኣምባሳደር ሃሪ፡ ኣብ ከተማ ሶውል ናብ ዝርከብ እንዳ ቐምቃሚ ከይዱ፡ ነቲ ክትዕ ዘለዓዓለ ጭሕሙ ኣልዩዎ። እቲ ኣምባሳደር መምርሕታት ኮቪድ-19 ንምኽባር መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ንምግባር መታን ክጥዕሞ ከምኡ ከምዝገበረ እዩ ተዛሪቡ። \"ሕዚ ፅቡቕ ተሰሚዑኒ ኣሎ\" ኢሉ ነቲ ኣካትዓይ ዝኾነ ጭሕሙ ምስ ላፀየ ኣብ ዝፈነዎ ተንቀሳቓሲ ምስሊ። ኣብ ላዕለዋይ ከንፈር እቲ ኣመባሳደር ዝነበረ ጭሕሚ፡ ብደቡብ ኮርያውያን ዝተነቐፈን ክንድዚ ከካትዕ ዝኸኣለን፡ ምስ'ቲ ኣብ 1910 ክሳብ 1946 ኣብ ዝነበረ ባዕዳዊ መግዛእቲ ጃፓን ስለዝመሳሰል እዩ። እቲ እዋን፡ ደቡብ ኮርያ ብጃፓን ዝተገዘአትሉ እንትኸውን፡ ጭሕሚ ላዕለዋይ ከንፈር እቲ ኣምባሳደር ድማ፡ ንደቡብ ኮርያውያን እቲ ሕማቕ ግዘን ኣብቲ እዋን ንዝነበሩ ጀነራላት ጃፓንን ስለዘዘከሮም እዩ ቁጠዐ ፈጢሩ። ካብ 2018 ጀሚሩ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝኾነ ሃሪ ሃሪስ፡ \"ጭሕሚ ላዕለዋይ ከንፈረይ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ብፍላይ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ይንቀፍ ዘሎ ብድሕረ ባይታ ዓሌተይ እዩ፡ ምኽንያቱ ኣነ ጃፓናዊ-ኣሜሪካዊ እየ\" ኢሉ። ወላዲት ኣምባሳደር ሃሪ ሃሪሰን ጃፓናዊት ኮይና፡ ኣቡኡ ድማ ኣሜሪካዊ ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ሕዚ ሰዓት፡ ካብ ሰሜን ኮርያ ንዝፍነው መጥቃዕቲ ንምምካት ብዝብል፡ ልዕሊ 28 ሽሕ ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣብ ደቡብ ኮርያ ይርከቡ። ኣምባሳደር ሃሪ ቅድሚ ሕዚ'ውን ደቡብ ኮርያ ምስ ሰሜን ኮርያ ዘለዋ ርክብ መልክዕ ንምትሓዝ ኣብ ወተሃደራዊ ዓውዲ ፈሰስ ክትገብር ይግባእ ዝብል ርኢቶ ብምሃቡ ኣካትዓይ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ኣብቲ ዞባ ወጥሪ ንክዓስል ምኽንያት ኮይኑ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ጋዜጣ ኮርያ ታይምስ፡ ጭሕሚ ላዕለዋይ ከንፈር (ሸነብ) ኣምባሳደር ሃር ሃሪሰን፡ ኣሜሪካ ንደቡብ ኮርያ ዘለዋ ንዕቐትን መላኽነትን ዘርእይ እዩ ክብል ምፅብፃቡ ይዝከር። ኣብ ግዘ ካልኣይ ኩናት ዓለም ዝነበሩ ጃፓናውያን መራሕቲ ሰራዊት ዝነበሩ ሃይዲ ቶጆ፣ ሳዳኦ ኣራኪን ሹንኩሩ ሃታን ኩሎም፡ ከምቲ ሕዚ ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ ቅዲ ጭሕሚ ኣምባሳደር ሃሪ እዩ ነይርዎም። ይኹን'ምበር፡ ምሁራት ኣብቲ እዋን ዝነበሩ መራሕቲ እቲ ዞባ'ውን ተመሳሳሊ ቅዲ ጭሕሚ ከምዝነበሮም እዮም ዝገልፁ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53565841"} {"headline":"ኣላን ዓለማዊ ዜጋ - ደሃይ ሰላም ካብ ጃፓን","content":"ካብ ዝነብረላ ከተማ ለንደን ብኣሽሓት ማይል ርሒቐ ንሃገረ ጃፓን ካብ ጫፍ ንጫፍ፡ ማለት ካብ ደቡብ ንሰሜን ክስንጥቕ ንሽዱሽተ ወርሒ ዝኣክል ናይ እግሪ ጉዕዞ ካብ ዝጅምር ሎሚ መበል 120 መዓልተይ እዩ። ትማሊ መንግስቲ ኤርትራ፡ ውዕል ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶባትን ብዘይ ቅድመ ኩነት ክትግብር ንዘንቀደ ጻውዒት ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐቢሉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኡኽ ክሰድድ ምዃኑ ምስ ሰማዕኩ ብዙሕ ተሓጒሰ። ምኽንያት ሓጎሰይ ክነግረኩም እየ። ኣብ መስከረም 2001 ሓትነይ ተጋዳሊት ኣስቴር ፍስሓጴን ምስ ሓያሎ ሚኒስተራትን ጀነራላትን ብጾታ ኮይና፡ ካብ 1998-2000 ዝተኻየደ ኩናት ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ክግምገም፡ ሃገራዊ ቅዋም ክትግበርን ስልጣን ናብ ህዝቢ ክሰጋገርን ዝጠልብ ቅሉዕ ደብዳብ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምጽሓፋ፡ ምስ በዓል ቤታ ነበር ምክትል ፕረዚደንት ማሕሙድ ሸሪፎን ካልኦት ብጾታን፡ ኣብ መስከረም 2001 ብዘይ ንቡር ክስን መስርሕ ፍርድን ኣብ ዒላዒሮ ተኣሲራ ክሳብ ሕጂ ከኣ ደሃይ የብላን። እቲ ሽዑ ክግምገም ዝሓተተትሉ ኩናትን ንሱ ዘስዓቦ ዕንወትን መዓልቦ ይረክብ ብምህላዉ ከኣ ሓበን ተሰሚዑኒ። እዚ ምስ ጎረቤት ዝግበር ዘሎ ዕርቀ ሰላም ከኣ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር እውን ዕርቀ ሰላም ክወልድ እሞ ዝተኣስሩ ክፍትሑ፡ ዝተበደሉ ክከሓሱ ዝተሰዱ ክምለሱ ይኽእሉ ይኾኑ ብምባል ሕጉስ ኢለ ውዒለ። ንሓትነይ ኣስቴር ከኣ ካብዚ ካብ ጃፓን ብመንፈስ ኣብ ዒላዒሮ ሰላም ክብላ ደስ ይብለኒ። ኣላን፡ ብፖለቲካ ብዙሕ ዘይግደስ፡ ዜጋታት ዓለም ብዘይ ደረትን ገደብን ዶባት ብፍቕርን ሕውነትን ክነብሩ ዝምነ ዓለማዊ ዜጋ ምዃነይ ሓቢረኩም ምንባረይ እዝክር እየ። እዚ ማለት ግን ብዛዕባ ሃገረይን ሰበይን ኣይግደስን እየ ማለት ኣይኮነን። ስለዝኾነ ከኣ እየ ነታ ከም ልበይ ከስተማቕራ ዘይከኣልኩ ሓትነይ ኣስቴር ብልቢ ዝናፍቓ። እዚ ናይ ዕርቀ ሰላም መንፈስ እቲ ህዝብና ዝብህጎ ሰላም ከምጽኣልና ሃንቀው ክብል እየ - ግዜ ከይበልዕን ከይነውሕን ከኣ ተስፋ እገብር። ኣብ ዝሓለፈ ርክብና ከምዘዘንተኹዎ ካብ ነብሲ ወከፍ እተን ዝተጓዓዝኩወን ሃገራት ብዙሕ ትምህርቲ እየ ዝቐስም ዘለኹ። ኣብ መገደይ መሳጢ ተፈጥሮኣዊ ባህርን ብመስርሕ ዝተነድቀ ባህልን እናረአኹ እዩ ዝጓዓዝ፡ ኣብ እግሪ እቲ ብሓምላይ ኣቑጽልትን ሻሽ ብዝመስል በረድ ዝተጎልበበ ኣኽራናት፡ ዝዛሪ ሩባታት፡ እንስሳ መሮር ዝዕንድራሉ ብሳዕሪ እተኸድነ ጎላጉል፡ አእሙሮ ዘሐድስ ህዱእ ጽሩይ ኣየር እቲ ገጠራት ኣይርስዖን እየ። ኣብቲ ሰላም ዝዓሰሎ ምድሪ ጃፓን ኮይነ፡ ብዛዕባ እታ ውሽጣዊ ሰላም ዘይብላ ብዙሕ ዘይፈልጣን ዘይነበርኩላን ግን ካብ ሓንጎለይ ዘየውጽኣ ኤርትራ እሓስብን፡ ኣኣብ'ቲ ዝኸድኩዎ ሃገራት ዝርእዮ ጽቡቕ ነገር ክህልዋ ከኣ እምነየላ። ሎሚ ካብቲ ዛጊት ዝኸድኩዎ ኣስኣት 2400 ኪሎ ሜተር ዝርሕቀቱ ኣብ ገጠራት ጃፓን ብእግረይ ዝተዛወርኩላ ፍልይቲ መዓልቲ እያ። ኣማስያኡ ከኣ ንሓንቲ ካብተን ኣብ ሓደጋ ምጽናት እትርከብ ኣርባዕተ ቀንዲ ደሴታት ጃፓን በጺሐ። ንኩነታት ኣየር እዚ ኸባቢ ብምግንዛብ ንመደባት መገሻይ ኣተዓራርየዮ ኣለኹ። ንክላይመት ኣብ ግምት ብምእታው ምስ ዕረፍተይ ብዝሰማማዕ መገዲ ንጉዕዞይ ወዳዲበዮ ኣለኹ። ኣብ ጃፓን ዝመሰጠኒ ነገር፡ ሰብ መካይን፡ ንኸምዚ ከማይ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብእግሮም ዝጎዓዙ መንገደኛታት፡ መኪነኦም ጠጠው እናበሉ \"ክንማልኣካ'ዶ\" እናበሉ ይሓቱ። ንዓይ እውን ብዙሓት ሓቲቶሙኒ እዮም። ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ብርዔይ ኣልዒለ ክጽሕፍ ከለኹ፡ ሓደ ናይ ኮንቨርጀንስ ኣባል ድራር ኣምጺኡለይ - ብኣኽብሮት ተቐቢለዮ። ንወለደይ ብስልኪ ምስነገርኩዎም ኣብ ኤርትራና ተመሳሳሊ ባህሊ ከምዘለና ነጊሮሙኒ። ንጋሻ ብዝብላዕን ዝሰተን ምዕንጋል፡ ብናጻ መሓድሮ ምሃብ፡ መገዲ ምሕባር፡ ብእትኽእሎ ዘበለ ምትሕብባር ልሙድ እዩ። ብሰንኪ ኣድካሚ ጉዕዞ ካብ ሚዛነይ 12 ኪሎ ነክየ እየ። መቸም ነቶም ኣብ ምዕራብ ዓለም እትነብሩ አሕዋተይ ምኽራሽ ወይ ምኽሳዕ ቀንዲ ጠንቂ ዝተፈላለየ ሕማማት ምዃኑ ክነግረኩም ኣይደልን እየ። ሎምስ ኣብ ኤርትራና እውን እቲ ንቕሓት ዓብዩ ምህላው እየ ዝኣምን እሞ ብዛዕባ ምቕጣንን ምርጓድን ብምዝራበይ ኣይትሓዙለይ። ወለደይ ከምዝናፈቕኩ ግን ክሓብኣልኩም ኣይደልን እየ - አዕሩኽተይ ከኣ። ካብ ኩሉ ካብ ኩሉ እቲ ኢድ ዘቖርጥም መግቢ ኣደይን ምስ ኣቦይ ነቢት ምስታይን ናፊቐ ኣለኹ። እዚ ግዕዞ ግዳ ብዛዕባ መጻኢየይ ክሓስብ ኣገዲዱኒ ኣሎ። ምስተመለስኩ ክፍጽሞም ዘለኒ ዓበይቲ ነገራት ኣለዉ። ብዛዕባ መጻኢ ህይወተይ ብዙሕ ተመሲጠ ኣለኹ። ዋላ'ላ ኣብ ስደት ተወሊደ እንተዓበኹ፡ ወለደይን መላእ ቤተሰበይን ዝተሳተፉዎን ዝተሰውኡሉን ሃገራዊ ዕላማ ኣብ ቤትና ድሙቕ ስለዝኾነ ብሰማእታትና ህይወት ብምርካበይ ኣብዛ ናይ ዝኽሪ ዕለት ቅሰኑ ክብሎም እደሊ። ካብ ወለደይ ዝተመሃርኩዎ ሃገራዊ ክብሪ ብዙሕ እዩ ክዕቅቦን ከኽብሮን ከኣ እደሊ። ብዛዕባ መጻኢ መደባተይን መገሻታተይን ኣብ ዝመጽእ ርክብና ከዕልለኩም እየ - ስለዝሰማዕኩሙኒ የቐንየለይ!! እፈትወኩም እየ - ኣላን ዓለማዊ ዜጋ ኣብ ዕለተ ዝኽረ ሰማእታት ካብ ጃፓን","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-44567355"} {"headline":"19 ኣካለ ስንኩላን ብኻራ ወጊኡ ዝቐተለ ጃፓናዊ ሞት ተፈሪድዎ","content":"ኣብ 2016፡ 19 ኣካለ ስንኩላን ብኻራ ወጊኡ ዝቐተለ ጃፓናዊ ንሞት ከምዝተፈርደ ተገሊጹ። እዚ 'ሳቶሺ ኡማቱሱ' ዝተባህለ መንእሰይ፡ ኣብ ሓደ እዋን ኣካለ-ስንኩላን ክዛረቡ ዓቕሚ ከምዘይብሎምን ዝኾነ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘይብሎምን ተዛሪቡ ምንባሩ ማዕከናት ዜና ጃፓን ገሊጸን። እዚ ወዲ 30 ዓመት፡ ኣብ ከባቢ ከተማ ቶክዮ ኣብ ዝርከብ መናበዪ ኣረጋውያን ሰሪሑ ምንባሩ ይግለጽ። እዚ ፍጻመ፡ እታ ብዙሕ ቅትለት ዘይረኣየላ ሃገረ ጃፓን ዘሰንበደ ፍጻመ ኮይኑ ኣሎ። ሎሚ ድማ ኣብ ከተማ ዮኮሆማ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ብማሕነቕቲ ክቕተል ፈሪድዎ። 'ሳቶሺ ኣምተሱ'፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ኣንጻር እቲ ዝወሃቦ ብይን ይግባይ ከምዘይብል ኣፍሊጢ ነይሩ። ቅድሚ እቲ ፍርዲ ግን፡ ጠበቓታቱ፡ እቲ ጥርጡር ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገምን ሓሺሽን ተጸሊዩ ነቲ መጥቃዕቲ ኣካይድዎ ብምባል ሓላፍነት ክወስድ ኣይክእልን ክብሉ ተማጒቶም ነይሮም። እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ግን፡ ኣብቲ እዋን እቲ ውልቀሰብ ኣብ ጽቡቕ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኩነት ከምዝነበረን ዝፈጸሞ ገበን፡ ንሕስያ ዘይግብኦ እዩ ብምባል ተኸራኺሮም። ኣብ 2016፡ 'ሳቶሺ ኣምተሱ' ኣብቲ ኣብ ከባቢ ከተማ ቶክዮ ውጽእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ መናበዪ ኣረጋውያን ብምዃድ፡ ንዝድቕሱ ዝነበሩ ኣረጋውያን ሓደ ብሓደ 19 ሰባት ቀቲሉ። ካልኦት ከባቢ 25 ሰባት ድማ ብጽኑዕ ተጎዲኦም። ድሕሪ እዚ ፍጻመ ድማ ንፖሊስ ከይዱ ኢዱ ኣረኪቡ። ንሱ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፈጸመሉ እዋን ኣብቲ መናበዪ ኣረጋውያን፡ ከባቢ 150 ነበረትን 9 ሰራሕተኛታት ከምዝነበሩ ሰብመዚ እታ ሃገር ይገልጹ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51905880"} {"headline":"ሰሜን ኮርያ፡ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ንካልኣይ ግዜ ፈተነ ሚሳይል ኣካይዳ","content":"ሰሜን ኮርያ፡ ኣብ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ንካልኣይ ግዜ ክልተ ፈተነ ሓጺር ርሕቐት ባላስቲካዊ ሚሳይል ከም ዘካየደት ወተሃደራዊ ምንጭታት ደቡብ ኮርያ ኣፍሊጦም። ሰሙን ኮርያ፡ ነዚ ፈተነ ብረቡዕ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ዎንሳን እያ ኣካይዳቶ። እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዘካየደቶ ፈተነ ሚሳይል ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡንን ኣብ ወርሒ ሰነ ድሕሪ ምርኻቦም ናይ መጀመርታ ፈተነ ሚሳይል እዩ ነይሩ። ሰሜን ኮርያ ነቲ ዘካየደቶ ፈተነ ሚሳይል፡ ነቲ ደቡብ ኮርያ ምስ ኣሜሪካ ክትገብሮ ትሓስብ ዘላ ዉሁድ ወተሃደራዊ ልምምድ 'ዕቱብ መጠንቐይታ'ዩ\" ክትብል ገሊጻቶ ኣላ። ደቡብ ኮርያን ኣሜሪካን እቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ከካይድኦ ወጢነን ዘለዋ ወተሃደራዊ ልምምድ፡ ካብ ንኵናት ምድላው ከም ዘይንእስ'ያ ሰሜን ኮርያ ብቁጥዐ ገሊጻቶ። ብረቡዕ እንታይ ኣጋጢሙ? እቲ ክልተ ሚሳይላት ብኣቆጻጽራ ርሑቕ ምብራቕ ኣብ ሰዓት 05፡06 ከምኡ'ውን 05፡27 እዩ ካብ ከባቢ ወደብ ዋንሶን ተተኵሱ። እቲ ሚሳይል ኣብ ባሕሪ ጃፖን ከምኡ'ውን ባሕሪ ምብራቕ ኣብ ዝስመ ከባቢ ቅድሚ ምዕላቡ 250 ኪሎሜትር ርሕቐትን፡ 30 ኪሎሜትር ብራኸን ኢዩ ተወንጪፉ ። ሚኒስተር ምክልኻል ደቡብ ኮርያ ጅዮንግ ክዮንግ ዱ እቲ ሚሳይል ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ሚሳይላት ዝተፈልየ ምዃኑ ገሊጹ። ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ሺንዞ ኣቤ ብወገኑ እዚ ሚሳይል ኣብ ጸጥታ ጃፓን ዝፈጥሮ ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዘየለ ገሊጹ። እዚ ዳሕረዋይ ፈተነ ሚሳይል ሰሜን ኮርያ፡ ድሕሪ እቲ ቅድሚ ሽዱሽተ መዓልታት ናይቲ 690 ኪሎሜትር ከምኡ'ውን 430 ኪሎሜትር ዝውንጨፍ ናይ ሓጺር ርሕቐት ሚሳይል ዝገበረቶ ፈተነ እዩ ዝካየድ ዘሎ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49174804"} {"headline":"ናይ ወሊድ ዕረፍቲ ክወስድ ምዃኑ ዝገለጸ ጃፓናዊ ሚኒስተር ኣዘራራቢ ኮይኑ","content":"ሚኒስተር ኣከባቢ ጃፓን ሺንጂሮ ኮይዙሚ ሰበይቱ ክትሓርስ ከላ ኣቦነተዋኢ ዕረፍቲ (ፓተርኒቲ ሊቭ) ክወስድ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ ኣብታ ሃገር ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ። በዓልቲ ቤቱ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ወርሒ ክትሓርስ ትጽቢት ዝግበር ኮይኑ፡ ንኽልተ ሰሙን ዕረፍቲ ከምዝወስድ ሚኒስተር ኮይዙሚ ሓቢሩ። ጃፓናዊ ኣባል ካቢነ ሚኒስተራት፡ ኣቦነታዊ ዕረፍቲ፡ ማለት ንኣቦ ሓድሽ ውላድ ዝወሃብ ፍቓድ ዕረፍቲ ክወስድ እዚ ናይ ፈለማ እዩ። ኣብ ጃፓን፡ ኣቦን ኣደን፡ ሓድሽ ህጻን ክወልዱ ከለው፡ ካብ ስርሖም ክሳብ ሓደ ዓመት ዝበጽሕ ዕረፍቲ ክወስዱ ይፍቐዶም። እንተኾነ ግን ካብ ኣቦታት፡ ብሰንኪ ጻዕቒ ስራሕ፡ 6% ጥራይ እዮም ኣብ 2018 ነቲ ዕረፍቲ ዝወስዱ። ኣብ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ኣሃዝ 82% ይበጽሕ። \"እቲ ህጻን ምስ ተወለደ ኣብ ዘሎ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ እታ ኣደ ብዙሕ ጾራት ስለዝህለዋ፡ ንስርሐይ ቀዳምነት እናሃብኩ፡ ብጠቕላላ ናይ ክልተ ሰሙን ኣቦነታዊ ፍቓድ እየ ክወስድ\" ኢሉ እቲ ሚኒስተር። ዝያዳ ኢመይልን ቪድዮ ኮንፈረንስታትን ብምዝውታር ስርሑ ከም ዝሽፍንን፡ ኣብ ኣገደስቲ ኣኼባታት ምክትላቱ ከም ዝውክልዎን ገሊጹ። ከም ኣኼባ ፓርላማ ዝኣመሰሉ \"ኣገደስቲ ህዝባዊ ንጥፈታት\" ግና ክርከበብ ምዃኑውን ሓቢሩ። እቲ ሚኒስተር ነዚ ናይ ኣቦነት ዕረፍቲ ናይ ምውሳድ ሓሳብ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ እዩ ክዘራረበሉ ጸኒሑ። ወዲ 38 ዓመት፡ ሚኒስተር ኮይዙሚ፡ ወዱ ነቲ ህቡብ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ነበር ጁንኪሮ ኮይዙሚ ኮይኑ በዓልቲ ቤቱ፡ ፈረንሳዊ መበቆል ዘለዋ ጓል 42 ዓመት ጃፓናዊት ኣቕራቢት ዜና ክሪስተል ታኪጋዋ እያ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51131254"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ዓለምና ብሉጽ ስርዓት ጥዕና ዘለወን ሃገራት መነ መን'የን?","content":"ብዙሓት ሃገራት ዓለም፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻርን፡ ነዚ ቫይረስ ዝኸውን ክታበት ንምርካብን ኣብ ቓልሲ እየን ዘለዋ። እቲ ቫይረስ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዘብጽሖ ጉድኣት ንምንካይ ኮነ ዝርግሕኡ ንምቁጽጻር፡ ሃገራት ኣቐዲመን ዝዘርግሕኦ ስርዓት ጥዕና ወሳኒ ተራ ከም ዘለዎ ብርክት ዝበሉ ሰብ ሞያ ይሰማምዑ። 'ዘ ሌጋተም ፕሮስፐሪቲ ኢንዴክስ' ዝተብሃለ ትካል ኣብ 12 መሰረታዊ ጉዳያት ተደሪኹ ኣብ 167 ሃገራት ብ2019 ብዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ቑጠባዊ ሃብቲ፣ ፖሊሲታት ልምዓትን ጭቡጥ ኩነታት እተን ሃገራትን ተንቲኑ ደረጃ ኣውጺኡ። እዚ፡ ስርዓት ጥዕና እተን ሃገራት ሰባት ክንደይ ዝኣክል ጥዕናዊ ኩነታቶም ክሕሎ ገይሩ ብዝብል ዝተኻየደ መጽናዕቲ እዩ። ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘቃልዖ ሓድሽ መሪሕነት ሱዳን ስለምንታይ'ዩ ኣዲስ ኣበባ ማእከል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኮይና? ‘ን 25 ዓመታት፡ መዓልታዊ ንሰበይተይ ግጥሚ ጽሒፈላ’ ትካል 'ዘ ሌጋተም ፕሮስፐሪቲ ኢንዴክስ'፡ ንጃፓን ኣብ ቅድሚት እዩ ሰሪዑዋ። ኣብዚ እዋን ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብኣጋ ክትቆጻጸሮ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ናእዳ ኣትሪፋትሉ'ያ፤ ግን ድማ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ዘስግእ ስለ ዝነበረ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ክትእውጅ ተገዲዳ። እቲ ቫይረስ ክትቆጻጸሮ ዘኽእል ዓቕሚ ስለ ዘለዋ ግን፡ ናይ ምንቅስቓስ እገዳ ኣይገበረትን። ነበርቲ፡ ምልክታት እንድሕር ዘይብሎም መርመራ ኮቪድ-19 እንተዘይተገበረሎም'ውን፡ መርመራ ነድሪ ሳምቡእ ግን ትገብር ነይራ። \"እዚ፡ እቲ ሕሙም ቐልጢፉ ሕክምና ክረክብ እዩ ዝሕግዝ። በዚ ምኽንያት ጃፓን ብዙሕ ሕክምና ዝደሊ ሰብ የብላን\" ኢሉ ሚካ ዋሺዮ ዝተባህለ ዶክተር። ጃፓናውያን፡ ብዛዕባ ጥዕና ብዘለዎም ግንዛበ፡ ጽልዋ ኮቪድ-19 ክንኪ ሓጊዙ እዩ። \"ካብ ቀደሙ ጃፓናውያን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ናይ ምግባርን ልዕሊ 60 ሚኢታዊት ዝኾኑ ድማ ዓመታዊ መርመራ ጥዕና ናይ ምክያድን ልምዲ ስለ ዝነበሮም፡ በዚ ቫይረስ ምኽንያት ከቢድ ጉድኣት ከይበጽሕ ሓጊዙ እዩ\" ይብል። ይኹን'ምበር፡ ሓደ ሓደጋ ከጓንፍ ይኽእል እዩ። በዚ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት፡ ከምቲ ልሙድ ሕሙማት ኣብ ሆስፒታል ክኾኑ እናተገብአ፡ ተወሳኺ ሃብቲ ንምእካብ ብዝብል መደቀሲ ዓራት ኣዐርዮም ንዝሓመሙ ሰባት ጥራሕ እዩ ዘቐምጥ ዘሎ ክብል እቲ ዶክተር ስግኣቱ ይገልጽ። ደቡብ ኮርያ፡ ብ2015 ተኸሲቱ ካብ ዝነበረ ለበዳ ሜርስ ዝወሰደቶ ተሞኩሮ ስለ ዘሎ፡ ለበዳ ኮቪድ-19 ንምቁጽጻር ድልዊ እያ። በዚ መንጽር፡ ሆስፒታላት እኹል ሰብ ሞያን ናውትን ተማሊኡሎም ተዳልዮም እዮም። 51 ሚሊዮን ህዝቢ ዘለዋ ሃገር፡ ልዕሊ 540 ሽሕ ሰበት ክትምርምር ከላ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ መዓልታዊ በዚ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ካብ 47 ክሳብ 53 ጥራሕ እዩ። ስርዓት ጥዕና ኮርያ፡ መድሕን ጥዕና ዜጋታት እታ ሃገር ስለ ዝሽፍን፡ ንመርመራን ሕክምናን ኮቪድ-19 ዓብዪ ሓገዝ ገይሩ እአዩ። \"መንግስቲ ንዝገበሮ ድጋፍን መድሕን ጥዕናን ብምምስጋን፡ ብዝተሓተ ዋጋ መርመራ ኮቪድ-19 ብሰፊሑ ተኻይዱ'ዩ\" ይብል ኣብ ሴኡል ዝቕመጥ ዶክተር ብራንደን ቢ ሱህ። \"እዚ ለበዳ ምስተራእየ፡ ብዙሓት ሰባት ኣቐዲሞም ስለ ዝተመርመሩ ብእዋኑ ግቡእ ስጉምቲ ተወሲዱ እዩ\" ኢሉ። መንግስትን ትካላትን ድማ ውጽኢታዊ ስርዓት ጥዕና ንምትግባር ቐልጢፎም'ዮም ናብ ተግባር ኣትዮም። \"መንግስቲ ሓድሽ ስጉምቲ ብምውሳድ፡ ሕጽረት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ንከየጋጥም መዓልታዊ ጽቡቕ ስራሕ ሰሪሑ'ዩ\" ይብል ዮንባክ ሊ ዝተባህለ ሰራሕተኛ። \"ኣብ ብዙሕ ቦታታት ዋዒ ሰብነት ይዕቀን። ኩሎም ትካላት ጽቡቕ ስራሕ ይሰርሑ ስለ ዘለው ድማ፡ ህዝቢ ንዝገብሩዎ ዘለው ጻዕሪ የመስግን እዩ ዘሎ። ዝርግሐ እቲ ለበዳ እናነከ ብምምጽኡ ድማ ሰባት ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ኣለው\"። እስራኤል፡ ኮቪድ-19 ኣብ ውሃን ከም ዝተኸሰተ ምስ ተሰምዐ፡ ኣቐዲመን ስጉምቲ ካብ ሞንጎ ዝወሰዳ ሃገራት ሓንቲ እያ። እቲ ለበዳ ናብ ሃገርና እንተመጺኡ ብዝብል፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ደንቢ ሓለዋ ጥዕና ህዝቢ ኣጽዲቓ። ስግኣት ኣለወን ናብ ዝብሃላ ሃገራት ኣገዳሲ ዘይኮነ ጉዕዞ ጠጠው ክብልን፡ መምርሒ ውሸባ ቐልጢፋ ተግባራዊ ብምግባርን ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ኣዝዩ ዝተሓተ ክኸውን ሓጊዙዋ። መርመራ'ውን ቐልጢፋ እያ ጀሚራ። ካብ ውሽጢ መተንፈሲ ኣካላት ኮሮናቫይረስ ምፍላይ ዘኽእል ኣሰራርሓ ኣብ ቤተ ፈተነታት እታ ሃገር ክህሉ ከም ዝተገብረ፡ ሰራሕተኛ ዩኒቨርሲቲ ቴልኣቪቭ ዶክተር ኪታም ሙህሴን የረድእ። \"እስራኤል፡ ብዙሓት ሰባት ብምምርማር መሪሕ ካብ ሞንጎ ዝኾና ሃገራት ሓንቲ እያ\" ይብል። \"በዚ ሕቡን እየ። ብዙሕ ሰብ ስለ ዝመርመርና እዩ ብዙሕ ሰብ በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፈ ዝፈለጥና። ቐልጢፍና ክንውሽብ ስለ ዝጀመርና ድማ፡ ናይ ሞት ቑጽሪ ኣዝዩ ትሑት ክኸውን ሓጊዙ\" ይብል ነባሪ ከፋር ሳፋ ታሊያ ክሌይን ፒሬዝ። ህዝቢ ማእከል ዝገበረ ስርዓት ሓለዋ ጥዕና ከም ዘለዋ ብምግላጽ፡ \"ዜጋታት ወጻኢኦም ስለ ዝሽፈነሎም፡ ሕክምና ንምርካብ ኣይሰግኡን\" ክብል ምኽትል ሜዲካል ዳይሬክተር ሼባ ፕሮፌሰር ኣርኖን ኣፌክ ገሊጹ። ምስ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ እንትነጻጸር ቑጠባ ጀርመን ዝተሓተ እዩ። ብደረጃ ዓለም ዕውትቲ ሃገር እያ'ኳ እንተተባህለት፡ መሊኣ ስራሕታ ዝወገነት ግን ኣይኮነትን። \"ኣብ ጀርመን ሰፊሕ ቑጽሪ መርመራ ክካየድ ምኽኣሉን፡ ቑጽሪ ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ዝተሓተ ምዃኑን፡ ደረጃ ስርዓት ጥዕና እታ ሃገር እዩ ዘርኢ\" ኢሉ ፕሮፌሰር ፍራንሲስ ደ ቬሪኮርት። ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ሰፊሕ መርመራ፡ ሕሙማትን ምልክር ዘርኣዩን ብምፍላይ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ክንኪ ሓጊዙ'ዩ ይብል። \"እዚ ቫይረስ መሊኡ ኣብ ቑጽጽር ክሳብ ዝውዕል፡ መምርሒ ኣካለዊ ርሕቐትካ ምሕላውን ናይ ባህሪ ለውጢ ምምጻእን፡ ቐጻልነት ክህልዎም ኣለዎ\" ይብል እቲ ፕሮፌሰር። ነበርቲ፡ እዚ ጉዳይ ንነዊሕ እዋን ክጸንሕ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም። ሓደ ንቢቢሲ ርኢይትኡ ዝሃበ፡ \"ኣደይ ካብ ገዛ ከይትወጽእ ምግባር እዩ ከቢዱኒ ዘሎ። ሓድሽ መልከፍቲ ስለ ዝነከየ፡ እገዳታት ክፎኽሱ ጀሚሮም ስለ ዘለው'ውን ዳግም ክሕሰበሉ ዘለዎ ይመስለኒ። መንግስቲ ቐልጢፉ እዚ ሕማም ተቖጻጺሩ ናብ ስሩዕ ህይወትና ክንምለስ ክሕግዘና ግን ተስፋ ይገብር\" ኢሉ። ኣብታ ሃገር፡ ሕሙማት ደቂሶም ክሕከምሉ ዝኽእሉ ክፍልታት ብዙሓት ኮይኖም፡ ሰብ ሞያ ሕክምና ጽኑዕ ክፍሊ'ውን ብዙሓት ከም ዝኾኑ፡ ዶክተር ደ ቨሪኮርት ተዛሪቡ። ኣውስትራሊያ ቐዳመይቲ ሚኒስትር እታ ሃገር ከም ዝበለቶ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ትሕቲ 5 ሚኢታዊት'ዩ ዘሎ። ስርዓት ጥዕና ኣውስትራሊያ፡ ውሁድ ብሕትን መንግስትን ኮይኑ፡ ሓደገኛ ኣጋጣሚታት ንምጽዋር ተዳልያ እያ። ብሓገዝ ክልቲኡ ስርዓት ጥዕና ነዚ ለበዳ ንምቁጽጻር ድልዊ ክትኸውን ከም ዝኸኣለት መምርህር ዩኒቨርሰቲ ሜልበርን ዶክተር ኣሌክስ ፖልያኮቭ ይዛረብ። ብተወሳኺ ኣብታ ሃገር ዘሎ ደረጃ ምትሕልላፍ እቲ ቫይረስ ዝተሓተ ኮይኑ፡ መንግስቲ ካብ ካልእ ሃገር ዝመጽኡ ሰባት ፈልዩ ዘጽንሓሉ ቦታ ብምድላውን ኣሰር በቲ ቫይረስ ምስ ዝሓመሙ ሰባት ዝተተናኸፉ ቐልጢፉ ብምፍላይን ዕውት ስራሕ ሰሪሑ እዩ። \"ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ዝርግሐ ውሑድ ኮይኑ፡ ቑጽሪ መዓልታዊ ዝተሓዙ ሰባት'ውን ዝተሓተ ከም ዝኸውን ይግምት። እዚ እዩ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ምቁጽጻር ማለት\" ኢሉ። ሆስፒታላት ኣውስትራሊያ፡ እኹል መሐገዚ መተንፈሲ መሳርሒ ኣለዎም። \"እቲ ናይ ብሕቲ ስርዓት ጥዕና ተወሳኺ ዓቕሚ ስለ ዝፈጥር፡ መብዛሕትኦም ሰባት ዘድልዮም ሕክምና ብእዋኑ ክረኽቡ ይሕግዞም'ዩ\" ኢሉ ፖልያኮቭ።","category":"ጃፓን","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52816807"} {"headline":"ካብ ገዛይ ንምውጻእ ሓቦ ስኢነ'","content":"ብመሰረት ቢቢሲ ዓረብኛ ዝመዎሎ መጽናዕቲ፡ 80 ሚእታዊ ቱኒዝያውያን ኣብ ሃገሮም ዓሌታዊ ኣድልዎ ጸገም ምዃኑ ይኣምኑ። እዚ ድማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን እቲ ዝለዓለ ኣሃዝ እዩ። ጸለምቲ ካብ 10-15 ሚእታዊ ህዝቢ ቱኒዝያ ኣብ ዝኾኑሉ፡ ድሕሪ ምእጋድ ባይቶ ሕጂ ቃልሲ ኣንጻር ዓሌታዊ ኣድልዎ ደው ከይብል ስግኣት ከምዘሎ ፈላሚት ጸላም ጓል ኣንስተይቲ ኣባል ባይቶ እታ ሃገር ንቢቢሲ ገሊጻላ። ላሳድ ካሪም ኣብ ሓደ ኩባንያ ን12 ዓመታት ዝሰርሐን ስርሑ ዝፈቱን ሰብ እዩ። ደሓር ግን ብሓድሽ ኣካያዲት ስራሕ ዓሌትነት ኣጋጢሙኒ ይብል። \"እናተዛትና ከለና ሃንደበት ጸሪፋትኒ\" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። እታ ኣካያዲት ስራሕ፡ ንጸለምቲ ሰባት ከም ኣገልገልቲ ዘናሽው ልሙድ ዝኾነ ቃል ተጠቒማ ኢሉ ዝኸስስ ካሪም፡  \"እዚ ቅቡል ቃል ኣይኮነን፡ ዝጎድእ'ዩ\" ይብል። \"ኣነ ሰንቢደ። ስለምንታይ? እንታይ ገበን ፈጺመ? እንታይ ገይረ? ሓዚነ\" ዝብል ካሪም ክሳብ ሎሚ እውን ከይተረፈ ንርእሱ ዝነበሮ ክብሪ ተናዊጹ ምፅንሑ ይገልፅ። \"ኣብ ደገ ምውጻእን ምዝዋርን ኣዝየ እየ ዝፈቱ። ሕጂ ግን ካብ ማዕጾይ ሓሊፈ ክወጽእ ሓቦ ስኢነ\" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ቱኒዝያ፡ ሕጊ 50 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓድሽ ሕጊ ኣብ 2018 ክተተኣታቱ ከላ፡ ኣብ ዞባ ዓረብ ብፍሉይ ብዓሌታዊ ምኽንያት ዝግበር ኣድልዎ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝገበረት ፈላመይቲ ሃገር ኮይና እያ። ብመሰረት ሕጊ 50፡ ብዓሌታዊ ቋንቋ ወይ ተግባራት ገበነኛታት ኮይኖም ዝተረኽቡ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ዝበጽሕ ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ ወይ ዝለዓለ መቕጻዕቲ $950 ዶላር ክቕጽዑ ከምዝኽእሉ ይገልጽ። ክሳብ ሕጂ ንገለ ገበነኛታት ኣብ ክሲ ምቕራብ ተዓዊቱ ኣሎ። ካብዚኦም ሓደ ኣብ ከተማ ስፋክስ ሓንቲ ሰበይቲ ኣፍሮ-ዓረብ ንዝኾነ መምህር ጓላ ዓሌታዊ ጸርፊ ብምጽራፋ ገበነኛ ኮይና ተረኺባ እያ። ካሪም ግን ከምዚ ኣይገጠሞን። ኣስራሒኡ ነቲ ዓሌትነት ወይ ካብ ስራሕ ከም ዝሰጎጎ ብምኽሓዱ እቲ ጉዳዩ ብሰንኪ ሕጽረት መርትዖ ተዓጽዩ። ከምታ ቀዳማይቲ ጸላም ኣባል ባይቶ እታ ሃገር ዝገለጸቶ፡ ካሪም ሓደ ካብቶም ክሳብ ሕጂ ግዳያት ዓሌትነት ኢና ዝብሉ ብዙሓት ጸለምቲ ሰባት እዩ። \"ዳርጋ መዓልታዊ፡ ካብ ዜጋታት ብፍላይ ድማ ካብ ጸለምቲ ሰባት ደብዳበ ይመጸኒ'ዩ። መልእኽቶም ይበፅሐኒ። ጥርዓኖም ይመጸኒ\" ትብል ጃሚላ ክሲክሲ። እቲ ባይቶ ድሕሪ ምእጋዱ፡ ኣባላት ባይቶ ድሕሪ ደጊም ነቲ ዓሌትነት ከልዕሉ ወይ መንግስቲ ንዕኡ ንምምካት ዝገብሮ ጻዕሪ እውን ክምርምሩ ከምዘይክእሉ ትገልጽ። ኣስዒባ ድማ \"ህዝቢ ቱኒዝያ ብዘይ ባይቶ ድምጺ የብሉን\" ትብል። ፕረዚደንት ካይስ ሳይድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ነቲ ባይቶ ኣባሪሩ ነቲ መንግስቲ ምስ በተነ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ቅልውላው ቱኒዝያ ተጋዲዱ እዩ። ፕረዚደንት ስዒድ ውሳኔኡ እታ ሃገር ንምጽጋንን ፖለቲካዊ መልመስቲ ቱኒዝያ ንምጽጋንን እንኮ መገዲ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ። እቲ ወዲ 64 ዓመት ፕረዚደንት ዝሓለፈ ወርሒ ስፍሕ ዝበለ ሓድሽ ስልጣንን ሓድሽ ቅዋምን ብዝምልከት መረጻ ባይቶ ንክኻየድ ትእዛዝ ሂቡ እዩ። ብመሰረት ሚስ ክሲክሲ፡ ባይቶ ቱኒዝያ፡ ኣተገባብራ ናይቲ ፍሉይ ዝኾነ ጸረ-ዓሌትነት ሕጊ ኣብ ምጽራይ ማእከላይ ተራ ነይርዎ፡ ድሕሪ ሕጂ ግን ከምኡ ኣይከኣልን እዩ። ዓሌታዊ ኣድልዎ ዝጥምቱ ጉዳያት ቤት ፍርዲ ሕጂ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ዕግርግር ብቤት ፍርዲ ንኽስርሑ ዝያዳ ግዜ ከም ዝወስድ ስግኣት ኣለዋ። \"ነዚ ዝሕግዝ፡ ወይ ድሕሪ እቲ ምድንጓያት ዘሎ ምኽንያት ዝሓትት ኣካል የለን። ምፍራስ ባይቶ ሰባት መሰሎም ንኸይረኽቡ ዓቢ ዕንቅፋት'ዩ\" ትብል። እታ ኣባል ባይቶ፡ እቲ ሓድሽ ቅዋም ንሕግታት ሲቪላዊ መሰላት ብፍላይ ድማ ንሕጊ 50 ዝሕሉ ይኹን ኣይኹን ዝብል ንጹርነት ከምዘይብሉ ስክፍታ ኣለዋ። ቢቢሲ ዓረብኛ ናብቲ ብፕረዚደንት ካይስ ዝተመዘዘ ኣፈኛ ሓዱሽ መንግስቲ ዘቕረቦ ሕቶ ዛጊት ዝኾነ መልሲ ኣይረኸበን። ይኹን እምበር፡ ሓንቲ ፍልጥቲ ፖለቲከኛ ቱኒዝያን ደጋፊት ናይቲ ፕረዚደንትን፡ እቲ ኣንጻር ዓሌትነት ዝግበር ዘሎ ቃልሲ፡ ዝሒሉ እዩ ዝብል ሓሳብ ነጺጋቶ’ላ። ኣማል ሃምሩኒ ካብ ሰልፊ ኤል-ጣያር ኤል-ጨዓቢ፡ \"ስራሕቲ ፍርዳዊ ኣካል ደው ኢሉ ኣይፈልጥን። ሕዚ'ውን ሕጊ 50 ኣብ ግብሪ የውዕሉ ኣለዉ\" ኢላ። ብዛዕባ ስራሕቲ መንግስቲ ምጽራይ እንተኾይኑ፡ ፕረዚደንት ካይስ ባይቶ ካብ ምእጋድ ሓሊፉ ካልእ ኣማራጺ ከምዘይብሉ ወሲኻ ትገልጽ። \"ባይቶ ሓጋጊ ኣካል ስርሑ ኣይሰርሕን ነይሩ። ኣብ ውሽጣዊ ቃልስታት ተሸሚሙ ነይሩ። ካብ ስራሕ ምእጋዱ መሰል እቲ ፕረዚደንት እዩ ነይሩ\" ትብል። እቲ ሕጊ 50 ብዛዕባ ንዝተነጸሉ ፍጻመታት ዓሌትነት ምምካት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብዛዕባ ኣብ ቱኒዝያ ንዝተፈጥረ ውርሻ ኣድልዎ ምፍታሕ’ውን ዝምልከት እዩ። ዘዋሪ ታክሲ ዝኾነ ከማል ኣቲግ ዘይሪ፡ ምሉእ ዕድሚኡ ዓሌትነት ከም ዘጋጠሞን፡ እቲ \"ብ... ሓራ ዝወጸ\" ዝብል ትርጉም ዘለዎ \"ኣቲግ\" ዝብል ስሙ ክሓድጎ ከምዝደሊን ብምግላጽ፡ \"ዘሕፍር\" ክብል ይዛረብ። ኣቦታቱ ካብቶም ንዘመናት ኣብ መላእ ዓረብ ዓለም ከም ባሮት ዝተሸጡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን እዮም። ቱኒዝያ ብ1846 ነዚ ንግዲ ዝሰረዘት ናይ መጀመርታ ዓረባዊት ሃገር እያ። ኣቲግ ዘይሪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ \"ብዙሕ የጨንቐኒ'ዩ፡ ካብ ስመይ ክሳብ ዝድምስሶ'ውን ኣይዓርፍን'የ\" ኢሉ። ኣስዒቡ፡ \"እዚ ቃል ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገም ፈጢሩለይ'ዩ\" ይብል። ብሓሳብ ደረጃ ሕጊ 50 ንሚስተር ኣቲግ ዘይይሪ ስሙ ናይ ምቕያር ናጽነት ክህቦ ይግባእ፣ ይኹን እምበር ገና ኣብያተ ፍርዲ ንሕቶኡ ከጽድቕዎ ይጽበ ኣሎ። ሌና ዝተባህለት ጓሉ ግን ስማ ክትቅይርክኢላ ኣላ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cpr2j0e4181o"} {"headline":"ተዘሚታ ዝነበረት 1 ሚልዮን ዶላር ትግመት ሳንቲም ናብ እስራኤል ተመሊሳ","content":"እታ 1 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኣ ሳንቲም ኣሰራ ንክትርከብን ናብ እስራኤል ንክትምለስን፡ ኣህጉራት ዝሰገረ ኣስታት 20 ዓመታት ዝወሰደ መርመራ ከምዝተገብረ በዓል መዚ ጥንታዊ ቅርስታት እስራኤል (IAA) ይገልጽ። ወኪል መርመራ ጸጥታ ኣሜሪካ ሪኪ ጄ ፓቴል፡ ነታ ሳንቲም ንምምላስ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ \"ሓንቲ ክብርቲ ንእሽቶ ኣካል ታሪኽ ኣብ መወዳእታ ናብ ዓዳ ትምለስ ኣላ\" ኢሉ። እታ ንእሽቶ ኣካል ታሪኽ፡ ዳርጋ ቅድሚ 2,000 ዓመት ኣብ እዋን ናዕቢ ኣይሁድ ዝተሰርሐት ብሩር ሳንቲም እያ። ኣብ 2002 ኣብ እስራኤል ከምዝተዘምተት ዝግለጽ እዛ ሳንቲም፡ ኣብ መወዳእታ ኣሰራ ተደልዩ፡ ተረኺባ ናብ መበቆል ሃገራ ትምለስ ኣላ። እቲ ዛንታ መርመራ፡ በዓል መዚ ጥንታዊ ቅርስታት እስራኤል፡ እታ ሳንቲም ካብቲ ኣብ ደቡባዊ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ጎልጎል ኤላ ዝተዃዕተ ዕቑር ገንዘብ ብፍልስጤማውያን ከም ዝተወሰደት ዝገልጽ ሓበሬታ ምስረኸበ'ዩ ዝጅምር። በዓል መዚ ጥንታዊ ቅርስታት እስራኤል፡ ነታ ኣብ እስራኤል፡ ዮርዳኖስን ዓባይ ብሪጣንያን ብዝርከቡ ዘይሕጋዊ ዕዳጋታት ጥንታዊ ቅርስታት ዝሓለፈት ሳንቲም ንምድላይ ኣስታት 15 ዓመታት ከምዝወሰደሉ ይገልጽ። ኣብ መወዳእታ ኣብ 2017 ኣብ ዝተኻየደ 'ሓራጅ' ንመሸጣ ናብ ኣሜሪካ ተላኢኻ። ኣብቲ እዋን እቲ በዓል መዚ ጥንታዊ ቅርስታት እስራኤል፡ ንመርመራ ጸጥታ ሃገር ኣሜሪካ (HSI) መጠንቀቕታ ሂቡ ነይሩ። ድሕሪኡ መርመራ ጸጥታ ሃገር ኣሜሪካ፡ ነታ ሳንቲም ኣብ ምምሕዳራዊ ቁጽጽር ክትኣቱ ገይሩ። ስለዚ ድማ ኣሃዱ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ጥንታዊ ቅርሲ ዓቃቢ ሕጊ ከባቢ ማንሃታን (ኒውዮርክ) መርመራ ከካይድ ተገይሩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ካብ ሰበስልጣን ኣውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ብዝተረኽበ ሓገዝን ካብ ዜጋታት ሓሙሽተ ሃገራት ዝተጠቆመ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር፡ እታ ሳንቲም ናብ ሃገራ ክትምለስ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ተዋሂቡ። እታ ሳንቲም ትማሊ ሰኑይ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ዞባ ማንሃታን ኣብ ዝተኻየደ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር እስራኤል ጊላድ ኤርዳን፡ ሰበስልጣን ኣሜሪካን እስራኤልን ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት ንዝምልከቶ ኣካል ከምዝተወሃበት ተፈሊጡ’ሎ። \"ሎሚ ምስ መሻርኽትና ኮይና፡ ንምእማን ዘጸግም ብርቂ ዝኾነት ንእሽቶ ታሪኽ እስራኤል፡ ማለት እስራኤል ካብ ሮማውያን ናጻ ናይ ዝኾነትሉ እዋን ተመልክት ሳንቲም ንመልስ ኣለና\" ክብል ወኪል መርመራ ጸጥታ ሃገር ኣሜሪካ ሪኪ ጄ ፓቴል ገሊጹ። እታ ብናይ ኣይሁድ ቴማ ዝተቐርጸት ብሩር ሳንቲም፡ ሓንቲ ካብተን ብዓይነት ኣርባዕተ ጥራይ ዝኾና ሳንቲማት እያ። በዓል መዚ ጥንታዊ ቅርስታት እስራኤል፡ መበቆል እታ ሳንቲም ኣብ 69 ዓ.ም፡ ኣብ መበል ራብዓይ ዓመት ዓብዪ ናዕቢ ከምዝኾነ ይገልጽ። ከምዚ ዓይነት ሳንቲም ምቕራጽ \"ብሓቂ ምእዋጅ ናጽነት ኣይሁዳውያንን፡ መግለጺ ተቓውሞኦም ኣንጻር'ቲ ኣብ ቅድሚኦም ደው ዝበለ ሓያል ግዝኣት\" እዩ ይብል ተወካሊ በዓል መዚ ጥንታዊ ቅርስታት እስራኤል ኢላን ሃዳድ። እቲ ዓብዪ ናዕቢ፡ ኣይሁድ ኣብ ይሁዳ ኣንጻር እቲ ቕድሚ ሓደ ዘመን ኣትሒዙ ዝነበረ ጨቋኒ ግዝኣት ሮማውያን ዝተኻየደ ሰውራ እዩ። እቲ ናዕቢ ሮማውያን ንኢየሩሳሌምን መበል ካልኣይቲ ቤተ መቕደስ ኣይሁድን ምስ ኣዕነዉ ኣብ 70 ዓ.ም እዩ ተዛዚሙ። ኣብቲ እዋን ካብ ኣማኢት ኣሽሓት ክሳብ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝግመቱ ኣይሁድ ከምዝተቐትሉ ይግመት።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ceql5vn55dwo"} {"headline":"ጽንብል በዓል መስቀል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምስሊ","content":"ዓመታዊ በዓል መስቀል ኣብ ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ ብድምቀት ይጽንበል ኣሎ። ኣብቲ ከምቲ ልሙድ ኣብ ሜዳ 'መስቀል ኣደባባይ' ዝተኻየደ ስነስርዓት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ዲፕሎማሰኛታትን ተሳቲፎም። ብርክት ዝበለ ህዝቢ'ውን ነቲ ሃይማኖታዊ ጽንብል ንምርኣይ ናብቲ ቦታ ከምዝወሓዘ ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም። እዞም ዝስዕቡ ምሩጻት ስእልታት እቲ በዓል በኸመይ ይጽንበል ከምዘሎ ዘርእዩ እዮም።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c8402zy0jdxo"} {"headline":"ኣብ ሓደ ገዛ እትነብር 72 ዝኣባላታ ህንዳዊት ስድራ","content":"ኣብ ህንዳዊት ግዝኣት ማሃራሽትራ፡ 72 ኣባላት ዘለዋ ስድራ ዶይጆደ ኣብ ሓደ ገዛ ብሓባር ትነብር። ኣብ ከተማ ሶላፑር እትርከብ ኣርባዕተ ወለዶታት ዝሓዘት እታ ስድራ ኣብ ዝተፈላለየ ዋኒናት ዝነጥፉ ትካላት ኣለዋ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crgd6dpllpdo"} {"headline":"ኣከባብራ በዓል ኢሬቻ ኣብ ኣዲስ ኣበባ","content":"ብብዓመቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኦሮምያ ዝኽበር በዓል ኢሬቻ፡ ቀዳም 21 መስከረም 2015 ዓ.ም. ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ዝተረኽበሉ ተኸቢሩ ውዒሉ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ንጉሆ ጀሚሩ ብዝተፈላለዩ ስነ-ስርዓታት ዝኽበር ዘሎ በዓል ኢሬቻ ዝምለከት ገለ ስእልታት እነሆ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cle20zn10j8o"} {"headline":"ወዲ ስዒማ ብዳርባ ክትቅተል ተፈሪዳ ዝነበረት ሱዳናዊት","content":"ኣብ 2020 ምስ በዓል ቤታ ተፈላልያ ምስ ቤተሰባ ምንባር ዝጀመረት ሓንቲ ሱዳናዊት መንእሰይ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ሰብኣያ ብዝሙት ከሲስዋ፤ ኣብ 2022 ድማ ኣብ ግዝኣት ጻዕዳ ናይል ኣብ እትርከብ ከተማ ኮስቲ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ገበነኛ ብምባል ብዳርባ እምኒ ክትቅተል ወሲኑ። እንተዀነ ንሳ፡ ንሓደ ሰብ ከምዝሰዓመት ምስ ተኣመነት ኣብ ክንዲ ሞት ንሽዱሽተ ወርሒ ክትእሰር ተፈሪዳ። እቲ ጓል 20 ዓመት መንእሰይ ብዳርባ እምኒ ክትቅተል ዝተዋህበ ብይን ንኽስረዝ ሰፊሕ ኣህጉራዊ ኣቓልቦን ምሕጽንታን ኣስዒቡ እዩ። እንተዀነ ወዲ ሓወቦኣ፡ ነቲ ኣፍቃሪኣ ድሕሪ ምቕታሉ ብፖሊስ ተታሒዙ ኣሎ። ማእከል ፍትሕን ሰላምን ኣፍሪቃ (ACJPS) ነቲ ብዳርባ እምኒ ክትቅተል ፈለማ እተበየነላ መቕጻዕቲ፡ \"ከቢድ ጥሕሰት ኣህጉራዊ ሕጊ’ዩ\" ክብል ገሊጽዎ። እታ ብዝሙት እተኸሰት ፍትሕቲ መንእሰይ፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ጻዕዳ ናይል ኣብ እትርከብ ከተማ ኮስቲ ዝርከብ ቤት ፍርዲ እዩ እዚ ፍርዲ በይኑላ። ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ብይን ምስ ኰነኖ፡ ቤት ፍርዲ ግዝኣት ጻዕዳ ናይል ነቲ ጕዳይ ዳግም ርእይዎ። ኣብ መወዳእታ ከኣ እቲ ቤት ፍርዲ \"ዝሙት\" ዝብል ክሲ፡ \"ጽዩፍ ተግባር\" ብዝብል ክሲ ብምቕያር ንሽዱሽተ ወርሒ ማእሰርቲ ቀይሩላ። እታ ክስስቲ ምስ ሓደ ሰብኣይ ከም ዝነበረትን ከምእተሰዓዓሙን ንቤት ፍርዲ ተኣሚና። ጠበቓኣ እንቲሳር ዓብደላ፡ እቲ ዳኛ፡ ብዘይካ ምፍራዳ ካልእ ኣማራጺታት ኣይነበርዎን ኢላ። “እታ ክስስቲ ምስ ሰብኣይ ከምዝነበረትን ከምዝተሰዓዓሙን ኣብ ቤት ፍርዲ ተኣሚና እያ። ንእሽቶኣ ምዃናን ብዛዕባ እቲ ሕልኽላኽ እቲ ጉዳይ ዘይትፈልጥን እያ ነይራ\" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ። እታ ጓል 20 ዓመት መንእሰይ ካብ ማእሰርቲ ብዋሕስ'ኳ እንተ ወጽአት፡ መቕጻዕታ ንምጅማር ናብ ቤት ማእሰርቲ ከይዳ ኣላ። እቲ ACJPS ዝተባህለ ተጠባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ እታ ክስስቲ መጀመርያ ጠበቓ ከምዘይተፈቕደላን ብሰንኩ ከኣ እቲ ናብ ፍርዲ ዳርባ እምኒ ዘምረሐ ናይ ሕጊ ጌጋታት ከምእተኸስተ ሓቢራ። ሱዳን፡ ክሳብ ሕጂ በቲ ኣብ ቁርኣን ከም ነውሪ ዝረኣዩ ስርቂን ዝሙትን ገበናት መቕጻዕቲ ሞት ትብይን እያ። ኣብ ሕጊ ሱዳን ከም መግረፍቲ ኣእዳውን ኣእጋርን ምቝራጽ፡ ማሕነቕቲ፡ ብዳርባ እምኒ ምቕታል ዝኣመሰለ መቕጻዕቲ ይወስዱ እዮም። መብዛሕትኦም ኣብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝብየኑ መቕጻዕቲታት ዳርባ እምኒ ብዙሕ ግዜ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተሰሪዞም እዮም። ቅድሚ ሕጂ፡ ሓደ ኣገልጋሊ መንግስቲ ነቲ ፍርዲ ከም \"ዋዛ\" ገይሩ ገሊጽዎ'ኳ እንተ ነበረ፡ ዋላ ሓደ ኣገልጋሊ መንግስቲ ጣልቃ ክኣቱ ከም ዘይክእል ተኣሚኑ እዩ። ሱዳን ካብ 2021 ዕልዋ መንግስቲ ካብ ዝፍጸም ንደሓር ብወተሃደራዊ ጃንዳ እያ ትመሓደር ዘላ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72qg2xv190o"} {"headline":"ካፋላ': ካብ ባርነት ዘይፍለ ዝበሃል ሕጊ ሃገራት ዓረብ","content":"ስርዓት ካፋላ ብዙሓት ሃገራት ዓረብ ዝጥቀማሉ ኣብ መንጎ ስደተኛታት ሰራሕተኛታትን ኣስራሕቶምን ዘሎ ርክብ ዝምልከት ሕጊ እዩ። ካብ ዝነብረሉ ሃገር ብሕጋዊ መንገዲ ተቖጺሩ ናብ ካልእ ሃገር ክሰርሕ ዝኸደ ሰራሕተኛ 'ስደተኛ ሰራሕተኛ' ክበሃል ዝገብሩ መዐቀኒታት ኣለዉ። ሓደ ካብዞም መዐቀኒታት \"ክእለት ዘይብሉ ወጻእተኛ ሰራሕተኛ\" ዝብል እዩ። ብፍላይ ድማ እዋናዊ ስራሕ ንምፍፃም ዝጓዓዙን ድሕሪ ሓፂር እዋን ዝምለሱን ሰራሕተኛታት፡ በዚ ስም ይፅውዑ፤ እቲ ስያመ ዘምጽኦ ውጽኢት እውን ይቕበሉ። ካፋላ ብዙሕ ትርጉም ዘለዎ ቃል እዩ። ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ግን ከም ስርዓት ውሕስነት ወይ \"ስርዓት ስፖንሰርሺፕ\" ዝብል ትርጉም ኣለዎ። ሓደ ኣስራሒ ነቲ ካብ ካልእ ሃገር ዝቖጸሮ ናይ ገዛ ሰራሕተኛ ኣመልኪቱ ብርክት ዝበሉ መሰላት ኣለዎ። ሓደ ሰራሕተኛ ካብ ገዛ\/ቁጽጽር ኣስራሒኡ እንተወጺኡ፡ ሕጊ ካፋላ ዘይሕጋዊ ስደተኛ እዩ ዝኸውን። እዚ ዋላ መጥቃዕቲ በጺሕዎ ይኹን ኣብ ግዜ ሰላም ኣይቅየርን እዩ። እዚ ሕጊ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኩዌት፣ ባሕሬን፣ ኦማን፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ዮርዳኖስን ሊባኖስን ይትግበር። ብመሰረት እዚ ሕጊ ሰራሕተኛታት ክውደቡ ኣይክእሉን። ህይወቶም ኣብ ኢድ ኣስራሕቶም ስለዝወድቕ ንዓመጽ ተቓላዕቲ ከም ዝገብሮም ዘርእዩ ብርክት ዝበሉ መጽናዕትታት ተኻይዶም እዮም። ብዙሓት ካብቶም ብሕጊ ካፋላ ዝመሓደሩ ሰራሕተኛታት ንስራሕ ገዛ ወይ ንስራሕ ህንጸት ዝምረጹ እዮም። ብስሩዕ ትምህርቲ ሰልጢኖም ናብዘን ሃገራት ዝኸዱ ሰራሕተኛታት በዚ ስም እዚ ኣይጽውዑን፡ በዚ ‘ጨቋኒ’ ሕጊ’ውን ኣይመሓደሩን። ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ካብ ንቡር ሕጊ ዕዮን ስራሕን እታ ሃገር ነጻ እዮም። እዚ ድማ ብልምዲ ዘይኮነስ ብሕጊ ዝተመስረተ እዩ። ኢትዮጵያውያን ሓዊሱ ናብ ሃገራት ዓረብ ተጓዒዞም ናይ ገዛ ስራሕ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት በዚ ሕጊ ኣቢሎም ንከቢድ ግህሰት መሰላት ከምዝቃልዑ ይእመን። ካብቶም ዝኸፍኡ መለለዪታት ስርዓት ካፋላ፡ ዋላ እቶም ሰራሕተኛታት ገዛ ካብ ሃገር ክወጹ እንተደልዮም፡ ካብ ኣስራሒኦም ብጽሑፍ ፍቓድ ክረኽቡ ኣለዎም ዝብል እዩ። እንተዘይኮይኑ ግን ብሕጊ ተሓተትቲ ይኾኑ እዮም። እዚ ሕጊ፡ ብብዙሓት 'ዘመናዊ ባርነት' ተባሂሉ ዝግለጽ ኰይኑ፡ ብዙሓት ደው ክብል ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ካብቶም ብተደጋጋሚ እዚ ሕጊ ኣብ ሊባኖስ ክስረዝ ዝጽውዑ ትካላት እዩ። ነዚ ኣስራሕቲ፡ ብዘይ ፍቓድ ሰራሕተኛ ውዕል ከቋርጹ ዘኽእሎም ስርዓት ሰራሕተኛታት ንማእሰርትን ምስጓግን ዘቃልዕ እዩ ክብል ይነቅፍ። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሊባኖስ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ገዛ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ 69 ሚእታዊ ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ሰባት እንተወሓደ ሓደ ግዜ ጾታዊ ትንኰያ ኣጋጢምወን ነይሩ። 75 ሚእታዊት ካብቶም መጥቃዕቲ ዝበጽሖም ሰባት ሕጋዊ ሰነድ ከምዘይብሎም ገሊጾም። ነቲ መፅናዕቲ ዘካየደ ‘የእኛ ለእኛ’ ዝተበሃለ ኣብ ሊባኖስ ናይ ዝነብሩ ማሕበር ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ገዛ፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ካብ መንበሪ ኣስራሕተን ዝወፃ ሰራሕተኛታት ናብ ሃገረን ንኽምለሳ ዘመቻችው እዩ። እቶም ኣስራሕቲ፡ ስርዓት ካፋላ ንሰራሕተኛታት ዝፈቕዶም መሰላት እኳ ከም ዘይህብዎም መስራቲ እቲ ማሕበር ባንቺ ይመር ትገልጽ። ስርዓት ካፋላ ንሓንቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸማ ሰበይቲ ውዕላ ናይ ምቁራጽ መሰል እኳ እንተሃበ፡ እቶም ኣስራሕቲ ግን ‘ሰሪቓ፡ ንደቀይ ቀጥቂጣቶም’ ዝብል ናይ ሓሶት ክሲ ናብ ፖሊስ ከምዘቕርቡ ትሕብር። ባንቺ ከም ትብሎ፡ ናብ ዓዶም ንክምለሱ ድማ መጀመሪያ ክእሰሩ ኣለዎም። ወሲኻ’ውን፡ ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ ሰባት ከምዘለዉ ትገልጽ። ኣብ ትሕቲ ስርዓት ካፋላ፡ ኣስራሕቲ ናይ ሰራሕተኛታቶም ፓስፖርት ወሲዶም ክዕቅቡ ልሙድ እዩ። እቶም ሰራሕተኛታት ብዘይ ፓስፖርት ምንቅስቓስ ኣይኽእሉን። ካልኦት ድማ ቪዛኦም ይኹን ውዕሎም ከይሓደሱሎም ይቐርዩ። እቶም ኣስራሕቲ ክሰድዋ ዘይፈቐዱ ሓንቲ ሰራሕተኛ፡ ገዛ ኣስራሒኣ ገዲፋ እንተወጺኣ 'ዘይሕጋዊት' ተባሂላ ክትእሰር ትኽእል። መብዛሕትኦም ዓመጽ ዘጋጥሞም ሰራሕተኛታት፡ ካብ ቁጽጽሮም ወጻኢ ኣብ ዝኾነ ኩነታት ከምዘለዉ ክዝንጋዕ የብሉን። ኣብ ሊባኖስ ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ዝተሳተፈት ሓንቲ ስደተኛ ሰራሕተኛ፡ ኣብ ፍሉጥ ኩባንያ ታክሲ ኣብ ዝተሳፈረትሉ እዋን ዘጋጠማ ተመክሮ ትገልጽ። እቲ ዘዋሪ ታክሲ ካብ መገዳ ወጻኢ ይኸድ ከምዘሎ ትርኢ እሞ 'ንምንታይ' ትብሎ። 'ጽብቕቲ ስለ ዝኾንኪን ባህ ስለዝበልክኒን ክትንክፈኪ ደልየ ኣለኹ' ኢሉ ከም ዝመለሰላ ትዛረብ። ነታ ታክሲ ደው ከብላ እንተሓተተቶ’ውን ንሱ ግን ኣብዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ካብቲ ድሕሪት ማዕጾ ዘሊላ ከም ትወጽእ ምስኣፈራርሐቶ ከምዘውረዳ  ትገልጽ። ብዙሓት ሰራሕተኛታት ኣብ ገዛ፡ ኣብ መገዲ፡ ዋላ’ውን ኣብ ማእከላት ዕዳጋ መጥቃዕቲ የጋጥሞም እዩ። መብዛሕትኦም ግን ናብ ሕጊ ኣይኸዱን። ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ፡ ቀንዲ ገበነኛታት ደቂ ተባዕትዮ ኣስራሕቲ እዮም። ዓመጽ ዝፍጽሙ ኣዝማድ ኣስራሕቲ’ውን ኣለዉ። መብዛሕትኡ ግዜ ፓስፖርቶም ሓዊሱ ሕጋዊ ሰነዳቶም ምስ ኣስራሕቶም ስለዝቕመጥ ካብቲ መጥቃዕቲ ሃዲሞም ክኸዱ ኣይኽእሉን። ብርግጽ ኣብ ኢዶም እንተሃለወ እውን ኣስራሕቲ እቲ ሰራሕተኛ ከም ዝጠፍአ እንተፈሊጦም ናብ ሕጊ ከይዶም ውዕሎም ከም ዘቋረጹ የፍልጡ እዮም። ኣብዚ ህሞት እዚ እቶም ግዳያት ዘይሕጋዊ ስደተኛ ተባሂሎም ብሕጊ ይድለዩ፤ ይእሰሩ ማለት እዩ። ስለዚ ካብ ገዛ ኣስራሒኦም ምውጻእ ናብ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ከም ዘምርሕ ዝተረድኡ ሰራሕተኛታት፡ ስቕታ ይመርጹ። ንተደጋጋሚ ዓመጽን ምዝመዛን ድማ ይቃልዑ። ስርዓት ካፋላ፡ ኣብ መፋርቕ መበል 20 ክፍለ ዘመን፡ ንሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ትገዝእ ዝነበረት ብሪጣንያ ዘተኣታተወቶ ሓድሽ ሕጊ ከምዝኾነ መጽናዕትታት የመልክቱ። ብተወሳኺ ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ነዳዲ ድሕሪ ምርካቡ፡ ኣብ መሳለጥያታት ነዳዲ ክሰርሑ ናብታ ሃገር ኣብ ዝመጹ ሰራሕተኛታት እውን ተመሳሳሊ ሕጊ ተግባራዊ ከምዝተገበረ ይሕብሩ። ኣብ 1950ታት ብፍላይ ካብ ኣፍሪቃን ኤስያን ዝመጹ ስደተኛታት ሰራሕተኛታትን ኣስራሕቶምን ንምምሕዳር ብዝብል ብሰፊሑ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ጀሚሩ። ሃገራት ዓረብ ናጽነተን ረኺበን ድሕሪ 50 ዓመታት እውን ስርዓት ካፋላ ይትግበር ኣሎ። ቀጠር ነዚ ሕጊ ኣብ 2019 (ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ) ሰሪዛቶ እያ። ቀጠር፡ ንዝመጽእ ዋንጫ ዓለም ስታድየማት ንምህናጽ ኣብ ዝተቖጸሩ ሰራሕተኛታት ሕጊ ካፋላ ድሕሪ ምትግባሩ፡ ተቓውሞታት ምስ በርትዓ እያ ነዚ ሕጊ ክተመሓየሽ ተገዲዳ። መብዛሕትኦም ካብ ሃገራት ደቡብ ኤስያ ዝመጹ እዞም ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ዘስካሕክሕ ኩነታት መነባብሮ ከም ዝነብሩ ብምግላጽ ነዚ ጨቋኒ ሕጊ ተቓውሞኦም ከስምዑ ጸኒሖም እዮም። ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ጥራይ ብድምር 30 ሚልዮን ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ኣለው። በብዓመቱ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ህይወቶም ብዘይንጹር ኣገባብ ከምዝሓልፍን መንግስታት እተን ሃገራት ብግቡእ ተኸታቲሎም ከምዘይምርምሩን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ። ዓለም ለኸ ትካል ሰራሕተኛታት (ILO) ከምኡ እውን ብዙሓት ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፡ ሰብኣዊ መሰላት ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ዘኽብር ሕግታት ንምውፃእ ዝተፈላለዩ ፃዕሪ ይገብሩ ኣለው። እዞም ትካላት ነዚ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝብልዎ ፍታሕ ነዚ ስርዓት ምእላይ ጥራይ እዩ። እዚ ንኣህጉራዊ መትከላት ሰብኣዊ መሰላት ዝጥሕስ ዝበሃል ሕጊ ምውጋድ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ነቲ ሕጋዊ ክፍተታት ብምምሕያሽ ከፈጽሙ ይምዕዱ። ከምቲ ባንቺ ትብሎ፡ እዚ ካብ ባርነት ዘይፍለ ስርዓት ምእላይ ቀሊል ኣይኮነን። ማሕበረሰብ ዓለም ብሓባር እንተዘይሰሪሑ ግን እቶም ኣብተን ሃገራት ዘለዉ ተጣበቕቲ በይኖም ለውጢ ከምፅኡ ኣይክእሉን እዮም። ሓደ ካብቲ ምኽንያታት ድማ ካብዚ ጭቆና እዚ ተረባሕቲ ዝኾኑ ኣካላት ልዑል ሓይሊ ስለዘለዎም እዩ። ባንቺ ንሊባኖስ ከም ኣብነት ትወስድ። ብሰንኪ ህሉው ቁጠባዊ ቅልውላው ሊባኖስ፡ ኣብ ትሕቲ ደገፍ ማሕበረሰብ ዓለም ስለትርከብ፡ ማሕበረ ሰብ ዓለም ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንክተመሓይሽ ኣብታ ሃገር ፀቕጢ ክገብር ይግባእ ትብል። “ክሳብ ሕጂ እተን ዝተቐጥቀጣ፡ ዝተቐትላን ዝተዓመጻን ደቂ ኣንስትዮ ፍትሒ ኣይረኸባን። ኣብቲ ስርዓት ተመስሪቶም እዮም ግፍዒ ዝፍጽሙ ዘለዉ” ትብል ባንቺ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1gezvdyrro"} {"headline":"ሚእቲ ኣግማል ህይወት ሓደ ቀታሊ ኣድሒነን","content":"ኣብ ሶማሊላንድ 100 ኣግማል ንምኽፋል ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ዝተበፅሐ ስምምዕ፡ ህይወት ሓደ ቀታሊ ሰብ ኣድሒኑ። እዚ ስሙ ዘይተገለፀ ሰብኣይ፡ ካብ ሃርጌሳ - ርእሰ ከተማ እታ ንርእሳ ከም ሪፓብሊክ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ - ንሰሜናዊ ምብራቕ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ማድሂራ፡ ትማሊ ሰሉስ ክርሸኑ ተቐሪቦም ካብ ዝነበሩ ገበነኛታት ሓደ እዩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ገበነኛ ቅትለት ንኽፍፀም ናይ መወዳእታ ትእዛዝ ንኽወሃብ ሒደት ደቓይቕ ምስ ተረፎ ግን፡ ካብ ስድራ እቲ ቀታልን ግዳይን ዝተዋፅኡ ሽማግለታት ዓዲ፡ ኣብ ቦታ ቅትለት በፂሖም፤ ነቲ ገበነኛ ካብቲ ተኣሲሩሉ ዝነበረ ዓንዲ ፈትሐምዎ። እቶም ብዝተፈላለዩ ቅትለታት ገበነኛታት ኰይኖም ዝተረኸቡ ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት ግና ብጥይት ተቐቲሎም’ዮም። ኣብ ሶማሊላንድ ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ዝግበር ጣልቃ ምእታው ልሙድ እዩ። ብመሰረት ባህላዊ ስርዓተ ፍትሒ፡ ቅትለት ሰብ 100 ኣግማል እዩ ካሕሳ ዘኽፍል። እንተዀነ ካብ ቀረባ ዓመታት ኣትሒዙ ቍፅሪ እቶም ክቡራት እንስሳት ብምንካዩ፡ መብዛሕትኡ ግዘ ኣብ ክንዲ ኣግማል ገንዘብ እዩ ከም ካሕሳ ዝወሃብ። እዚ ተመዓዳዊ [ባህላዊ] ስርዓት፡ ነቲ ስሩዕ ከይዲ ቤት ፍርዲ ዝድግፍ፡ ሓደ-ሓደ ግዜ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ዝትክእ እዩ። እንተዀነ እዚ መስርሕ፡ ድኻታት ነፃነቶም ከሕልዉ ዝድርት፡ ብኣንጻሩ ሃብታማት ነፃነቶም ክዕድጉ ዘኽእል'ዩ ተባሂሉ ብሰፊሕ ይንቀፍ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw5dv3n2yxdo"} {"headline":"ደቂ ኣንስትዮ ስለምንታይ ሰብኣይ ሓዲገን ንነብሰን ይምርዓዋ ኣለዋ?","content":"ክሻማ ቢንዱ ጓል 24 ዓመት ተመሃሪት ስነ-ማሕበረሰብን ብሎገርን እያ። ባህላዊ ስነ-ስርዓት መርዓኣ ኣብ ከተማ ቫዶዳራ ህንዲ ኣብ ዝርከብ ቤተ መቕደስ ክተካይድን ድሕሪኡ ድማ ንኽልተ ሰሙን ሕጽኖት ናብ ጎዋ ክትከይድን መደብ ሒዛ ነይራ። እንተዀነ እቲ መርዓ ዓቢ ህዝባዊ ክትዕ ኣበጊሱ። ብዙሓት ሰባት ብውሳነኣ ኣላጊጾም። ነቲ ስነስርዓት ከካየድ ዝተሓሰበ ቀሺ’ውን ሓሳቡ ቐይሩ ኣብዩ። ቢንዱ፡ ካልኦት 25 ዝዀኑ ኣቕሽሽቲ ሓቲታ ነይራ። ግን ፍቓደኛ ዝኸውን ኣይረኸበትን። ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ ፖለቲካዊ ድሕረ-ባይታ ተወሲኽዎ። ቢንዱ ንኣልጀዚራ ከምዝገለጸቶ፡ ፖለቲከኛ ሰልፊ ባራቲያ ጃናታ ዝዀነት ሱኒታ ሹክላ እቲ መርዓ ኣብ ቤተ መቕደስ ሂንዱ ክካየድ ከምዘይትፈቅድ ኣዊጃ። ነዞም ጸቕጥታት ስዒቡ ቢንዱ፡ ካብቲ ዝመደበቶ ዕለት ኣቐዲማ ብ 08 ሰነ ብሚስጥር ኣብ ገዛኣ ተመርዕያ። መርዓ ግን ስለምንታይ መካትዒ ኰይኑ? ቢንዱ ዘጕደለቶ ባህላዊ ስርዓት ኣይነበረን፤ ካብቲ መርዓ ዝጐደለ እንኮ ባእታ፡ መርዓዊ እዩ ነይሩ። “መርዓት ምዃን እምበር በዓልቲቤት [ዝዀነ ሰብ] ክኸውን ኣይደልን” ትብል። ስለዚ ክሻማ ቢንዱ፡ ንነብሳ “ዝተመርዓወት” እታ ፈላመይቲ ህንዳዊት ኰይና። ሰባት ግን፡ ከም “ገበን” ዝፈጸመት “ብዘገርም መንገዲ” ከምዝርእይዋ ንኣልጀዚራ ገሊጻ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከይተረፈ ክትዕ ኣልዒሉ ነይሩ። ንነብስኻ ምምርዓው ማለት ንገዛእ ርእስኻ ምፍቃርን ንነብስኻ ምቕባልን እዩ ዝብሉ ገለ ደገፍቲ ኣድናቘት ክህብዋ እንከለዉ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ግን \"ዘገርምን ዘሕዝንን ተግባር\" ክብሉ ነቒፎም። ንነብስኻ ምምርዓው፡ \"ሕዱር ርእሰ ኣምልኾ ወይ ርእሰ ተገዳስነት\" እዩ ዝብሉ’ውን ኣይተሳእኑን። ሞኖጋሚ፡ ኣሚናዊ ወይ ምስ ሓደ ሰብኣይ\/ሓንቲ ሰበይቲ ዝግበር መውስቦ ክኸውን እንከሎ፡ ፖሊጋሚ ድማ መውስቦ ምስ ብዙሓት ኣንስቲ ወይ ሰብኡት ከምዝዀነ ይፍለጥ። ሰባት ንገዛእ ርእሶም ዝምርዓዉሉ ስነ-ስርዓት መርዓ ድማ \"ሶሎጋሚ\" ወይ \"ኣውቶጋሚ\" ይበሃል። ቢንዱ፡ ሶሎጋሚ \"ኣብ ጐድኒ ገዛእ ርእስኻ ንኽትከውን፡ ንኽትዓቢን ክትዕምብብን ዝሕግዘካ መነባብሮን ኣነባብራን” ንኽትመረጽ ዘለካ ተወፋይነት እዩ ትብል። እታ ህንዳዊት ንነብሳ ድሕሪ ምምርዓዋ፡ ጾታዊ ህይወታ ከመይ ከምዝኸውን ብዙሕ ሕቶታት ከምዝቐረበላ ትዝረብ። “ብዘይካ ነብሰይ ምስ ካልእ ሰብ ከይላለ፡ ዳግማይ ከይምርዖ ወይ ጾታዊ ርክብ ከይገብር ቃል ኣትየ ምህላወይ ሓቂ'ኳ እንተዀነ፡ ድሌታተይ ምሉእ ብምሉእ ከማልእ እኽእል እየ።” ምስ ገዛእ ርእሳ ሓዳር ዝመስረተት ክሻማ ቢንዱ ጥራይ ኣይኰነትን። ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ጃፓን፡ ኣሜሪካ፡ ህንዲ፡ ስጳኛ፡ ኢጣልያ፡ ብሪጣንያንን ካልኦት ሃገራት ዘጋጥም ዘሎ ተርእዮ እዩ። ንነብስኻ \"ምምርዓው\" ዝብል ሓሳብ መጀመርታ ዝተልዓለ፡ ቅድሚ ኣስታት 20 ዓመታት ኣብቲ ኣዝዩ ህቡብ ዝዀነ ኣሜሪካዊ ተኸታታሊ ፊልም ሴክስ ኤንድ ዘ ሲቲ ከምዝዀነ ዝገልጹ ኣለዉ። ብኻልእ ሸነኽ፡ ሊንዳ ቤከር ዝተባህለት ኣሜሪካዊት ክኢላ ጽሬት ስኒ፡ ኣብ 1993 ንነብሳ ከምዝተመርዓወት ዝሕብሩ ጸብጻባት’ውን ኣለዉ። ኣብ 2015 ኣብ ብሪጣንያ ሶፊ ታንር ዝተበሃለት ውልቀሰብ ንነብሳ ከምዝተመርዓወት ቢቢሲ ይገልጽ። ኣብ 2017 ላውራ ሜሲ ዝተበሃለት ኢጣልያዊት ንነብሳ ተመርዕያ ኣርእስቲ ማዕከናት ዜና ኰይና ነይራ። ኣብ 33 ዓመት ዕድመኣ ንነብሳ ዝተመርዓወት ክሪስ ጋሌራ ዝተበሃለት ብራዚላዊት ሞዴል ድማ ድሕሪ 90 መዓልቲ ምስ ነብሳ ተፋቲሓ መዛረቢ ኰይና ከምዝነበረት ይንገር። ኣብ ጃፓን ካብ 2014 ኣትሒዙ ንንጽል ደቂኣንስትዮ ስነ-ስርዓት መርዓ ዘዳልው ትካል ኣሎ፤ ኣብ ኣሜሪካ ከም Marry Yourself Vancouver ኣብ ካናዳ ድማ IMarriedMe.com ዝኣመሰሉ ትካላት’ውን ሓገዝ ይህቡ’ለዉ። እቲ ስነ-ስርዓት ሕጋዊነት ዘይብሉ’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንነብሶም \"ክምርዓዉ\" ዝመርጹ ዘለዉ ሰባት ግን ሒደት ኣይኰኑን። ንምዃኑ ሓደ ሰብ ንነብሱ \"ክምርዖ\" ዝድርኾ እንታይ እዩ? እቲ ህይወት ብሓቂ እንታይ ይመስል? ሱር በተኻዊ ርእሰ-ፍቕሪ፡ ዝና ምድላይ፡ ኰነ ኢልካ ጽምዋ ምውዳስ ድዩ ወይስ ብስልጣን ወዲ ተባዕታይ ዝዕብለል ሕብረተሰብን ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዎ ትጽቢታትን ንምንጻግ ዝግበር ጻዕሪ እዩ? ቢቢሲ ሪል፡ ብ 08 ሕዳር ኣብ ዝፈነዋ 'Sologamy': The people that marry themselves ትብል ሓጻር ቪድዮ ዘዘራረበን ንነብሰን ዝተመርዐዋ ደቂ ኣንስትዮን ክኢላታትን ብዛዕባ ሶሎጋሚ ዘለወን ርእይቶ ከምዚ ዝስዕብ ይቕረብ። ሜይ ሴራኖ ፉርተስ ቅድሚ 11 ዓመት ብዝመስረተቶ ሓዳር ሕጕስቲ እያ። እቲ ምስጢር ድማ – ንባዕላ ስለዝተመርዓወት እዩ። “ንነብሰይ ክሰምዕ፡ መዓልታዊ እንታይ ከምዘድልየኒ ክሓትትን እቲ ዘድልየኒ ድማ ከቕርብን ቃል ኣትየ። መንነተይ ድሮ ኣብ ውሽጠይ ስለዘሎ፡ ኣብ ደገ ክደልዮ ኣይደልን” ትብል። ሜይ ሴራኖ፡ ኣብ ስጳኛ ካብ 2011 ኣትሒዙ ብውሑዱ 17 ደቂ ኣንስትዮ ንገዛእ ርእሰን ክምርዓዋ ሓጊዛ እያ። ኰይኑ ግን ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ንገዛእ ርእስኻ ምምርዓው ሕጋዊ ኣፍልጦ የብሉን። ስለዚ፡ እንታይ ንምርካብ እዩ ዝፍጸም? ኣብ 2011 ኣብ ቢልባኦ ስጳኛ፡ 10 ደቂ ኣንስትዮ ተኣኪበን ርእሰ-ፍቕረን ብግልጺ ብምእዋጅ ንነብሰን ክምርዐዋ እንከለዋ ኣንጻር ባህላዊ ሓዳርን ከምመዘናግዒ ተግባርን ዝተጀመረ ነይሩ። “ንኽሕጐስ ኢለ እየ ንነብሰይ ክምርዖ ወሲነ። ብዛዕባ ፍቕራዊ ርክብ ህዝባዊ ክትዕ ክንጅምር ጥራይ ነይሩ ድሌትና። ኣብታ መዓልቲ መርዓ ግን፡ ዝዀነ ኣገዳሲ ነገር ንገብር ከም ዘለና ተረዲኡና” ትብል ሜይ ሴራኖ። “ንነብሰይ ዘፍቅራ፡ ናይ ገዛእ ርእሰይ ዓርከይ ከምዝዀንኩ፡ ኵሉ ግዜ ኣብ ጐነይ ከምዘለኹ እየ ዝሓስብ ነይረ።” ኣብታ ህሞት ንሳ ግን፡ “ኣብ ቅድሚ 100 ሰባት፡ ንገዛእ ርእሰይ ከፍቅር፡ ክከናኸን፡ ኵሉግዜ ቐዳምነት ንባዕለይ ክሓስብ፡ ንነብሰይ ቃል ምስ ኣተኹላ” እቲ ትሓስቦ ነገር ትፍጽሞ ከምዘይነበረት ተረዲኣ። “ጾታ ብዘየገድስ ነብስኻ ምፍቃርን ምኽባርን መበገሲ ክኸውን ይግባእ። ጓል ኣንስተይቲ ምዃን ዕንቅፋት ክኸውን የብሉን። ደቂ ተባዕትዮ ድሮ ንነብሶም ከምዘፍቅሩ ኰይኖም እዮም ዝዓብዩ፤ ደቂ ኣንስትዮ ግን፡ ከምቲ ንኻልኦት እነፍቅሮ ንነብስና ምፍቃር ኣድላዪ ከምዝዀነ ኣይረኣየናን” ትብል ፖለቲካዊ ሳይንቲስትን መጽናዕቲ ጾታ ተካይድን ኒውስ ቱርቡ ጆሳ። ኤስፐራንዛ ቦሽ ፊዮል፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደ ለስ ኢለስ ባሌርስ ፕሮፌሰር ስነ-ልቦና እያ፤ “ንገዛእ ርእስና ምፍቃር ምምሃር፡ ብቐዳምነት ኣብ ዓለም ንነብስና ቦታ ክንህባ፡ ካልኣይ ድማ መን ፍቕርና ክረክብ ከምዝግባኦን መን ከምዘይግባኦን ክንውስን እንከለና ዝሓሸ ምምዝዛን ንኽህልወና” ከምዝሕግዝ ትገልጽ። ከመይ ከም እነፍቅርን ንመን ከም እነፍቅርን ቀስ ብቐስ እናተቐየረ እዩ። ኣብ ስጳኛ፡ ሕጂ’ውን ዓብላልነት ዘለዎም ሰብ ሓዳር ፍሉየ-ጾተኛ’ኳ እንተዀኑ፡ ኣሃዛዊ ጭብጥታት ግን ቍጽሪ ሓዳር ዝምስርቱ ሰባት ይንኪ፡ ናይቶም ዝፋትሑ ድማ ይውስኽ ከምዘሎ ይሕብሩ። ክልተ ግዜ ዝምርዐዋ ደቂ ኣንስትዮ’ውን ኣለዋ። ሁንካል ኣልዙጋራይ ዙሩመን፡ መጀመርታ ንበዓል ቤታ ደሓር ድማ ንነብሳ ተመርዕያ’ያ። “እታ ሕሳስ ልደ ጓልና ገና ምስ ተወለደት ሃንደበት፡ ንነብሰይ ዝኸውን ቦታ ከምዘይብለይ ተረዲኡኒ። ሁንካል ምዃነይ ተሪፉ ኣደ ፔዮን ሚረንን ኰይነ። ስለዚ ንነብሰይ ክምርዖ ወሲነ” ትብል። በዓል ቤታ ሰርጅዮ ኢባርጉን ጋራይ ግን በቲ ዘይተጸበዮ ውሳነ ከምዝተገረመ ኣይሓብአን። “ንባዕላ ከምትምርዖ ምስ ነገረትኒ፡ መጀመርታ ተገሪመ እየ፤ ምኽንያቱ ልሙድ ኣይኰነን። ርእሳ ዝኸኣለት ስለዝዀነት ግን፡ ምስ ነብሳ ሕጕስቲ እንተዘይኮይና፡ ንነብሳ እንተዘይኣፍቂራ፡ በቲ ኵነታት እንተዘይተሓጕሳ፡ ንዓይ፡ ንደቃን ኣብ ከባቢኣ ንዘለዉ ሰባትን ክጸሉ’ዩ። ስለዝዀነ ድማ ብኣጋኡ ተረዲአዮ” ክብል ንውሳነ ሁንካል ከምዝተቐበለ ይገልጽ። ቅድሚ ዝተወሰነ ዓሰርተታት ዓመታት ደቂ ኣንስትዮ፡ ሕሳብ ባንክ ንምኽፋት ወይ መኪና ንምዝዋር ኣብ ቤተክርስትያን ክምርዓዋ ይግባእ ከም ዝነበረ ተዘኻኽር ኒውስ ቱር፡ እዚ ኵነታት እናተቐየረ ምምጽኡ ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ትርእዮ። ይዅን እምበር፡ “ስድራቤት ቀንዲ ዓንዲ ሕብረተሰብና ኰይና ትቕጽል ኣላ፤ ሕጂ’ውን ከም ተፈጥሮኣዊ ኵነታት ሰባት እዩ ዝቝጸር” ትብል። ኤስፐራንዛ ቦሽ’ውን፡ ባህላዊ ሓዳር ንደቂ ኣንስትዮ ማእሰርቲ ኰይኑ ከምዝጸንሐ ትዛረብ። “ቀንዲ ዕላማ ህይወትና [ባህላዊ ሓዳር] ክኸውን ከም ዘለዎ እዩ ዝንገረና። ሓንሳብ ምስተመርዓና ድማ፡ እቲ ቀንዲ ዕዮ ገዛን ክንክን ህጻናት፡ ኣብቲ ስድራቤት ዝርከቡ ኣረጋውያንን ሕሙማትን ክሳብ ሕጂ ብቐንዱ ብደቂ ኣንስትዮ ከምዝፍጸም ኣሃዛት የረጋግጹ።” እዚ ጸገም ኣብ ዝተፈላለዩ ማህበረሰባት ዓለም ዝርአ ምዃኑ ብዙሕ ኣየካትዕን። ግን፡ ሶሎጋሚ ነዞም ጸገማት ብኸመይ ይፈትሖም? “ሶሎጋሚ ፍጹም ዝፈትሖ ነገር የለን” ትብል ኤስፐራንዛ ። ንምሕጓስን ንምዝንጋዕን መመኽነይታ እምበር ብሓቂ እቲ ሕብረተሰብ ንክቕይር ኣገዳሲ ዝዀነ “ፖለቲካዊ ስግረ-ዶባዊነት” ከምዘይብሉ ትሕብር። ኒውስ ቱር’ውን በዚ ትሰማማዕ። “ሶሎጋሚ መፍትሒ ዝኸውን ኣይመስለንን። ምናልባት መርኣያ ብስልጣን ወዲ ተባዕታይ ዝዕብለል ፍሉየ-ጾተኛ ሕብረተሰብ፡ እቲ ክሳብ ሕጂ ከም ንቡር ዝቝጸር ፍቕርን ስድራቤት-ተኮርን ሞዴል ክልተኣዊ መጻምድት’ዩ ኢለ ይኣምን።” ኣብ 2017 ብሓባር ዝሕንብሳ 14 ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ ሓባራዊ ጉጅለ መስሪተን ነይረን። ሎሚ እዛ ጉጅለ ልዕሊ 140 ኣባላት ኣለዋ። ከምዚ ዓይነት ምትሕብባር፡ ንደቂ ኣንስትዮ ሓይሊን ሓላፍነት ከምዝህብ ኣንስታያዊ ምንቅስቓሳት የመልክቱ። “ንሕና ደቂ ኣንስትዮ ክንእከብ ከለና...ሓደ ሰብ እንታይ የጋጥሞ ከምዘሎ ክትሰምዕ ትጅምር። ...ደቂ ኣንስትዮ ተወዳደርቲ እየን ዝብል ሓሳብ ዕማም ናይቲ ብስልጣን ወዲ ተባዕታይ ዝዕብለል ሕብረተሰብ’ዩ። ምኽንያቱ ብኣንጻሩ’ዩ ዝኸውን ዘሎ - ብሓባር ሓያላት ኢና ንኸውን” ትብል ሜይ። ንሳ ከምትብሎ፡ ደቂ ኣንስትዮ ንነብስን ከፍቅራ እየን ዝጽዕራ ዘለዋ። ከመይ? “ብንኣሽቱ ...ናይ ብሓቂ ኣብ መወዳእታ ንነብስኻ ትፈትዋን ንነብስኻ ትከናኸንን ከምዘለኻ ክስምዓካ ብዝገብሩ ንኣሽቱ ተግባራት’ዩ” ክትብል ትምልስ። ሁንካል፡ ገለ ሰባት ክርድእዎ ስለዘይኽእሉ ሓደ ሓደ ግዜ ከቢድ ከምዝዀነ ትኣምን። “ንነብስና ክንምርዖ ዝወሰንና ዓርስና ጥራይ ከምንፈቱ ስሱዓት ንውቀስ ኢና። እቲ ሓቂ ግን ምስ ነብሰይ ካብ ዝተመርዓኹ ኣትሒዙ፡ ምስ ነብሰይ፡ ምስ ደቀይ፡ ምስ በዓል ቤተይን ምስ ኣዕሩኽተይ ከይተረፈ ዝያዳ ጥዑይ ርክብ ኣለኒ” ክትብል ካብ ሶሎጋሚ ዝረኸበቶ ውጽኢት ትገልጽ። “ንነብሰይ ኣብ መስትያት እጥምታ፡ እቲ ዝረኣየኒ ድማ ደስ ይብለኒ። ቅድሚ 11 ዓመት ንነብሰይ ኣብ ጐድነይ ከም ዝኸውን፡ ንነብሰይ ከም ዝከናኸና፡ ንነብሰይ ከም ዝሓስብ ቃል ኣትየ ነይረ። መብጽዓይ ሓልየ’የ...ኣብ መዓልታዊ ህይወተይ ድማ ንነብሰይ ኣቓልቦ ክህባን ክሰምዓን ክቕጽል’የ - ሕጕስቲ’የ። በዚ ርግጸኛ እየ” ትብል እታ ደቂ ኣንስትዮ ንገዛእ ርእሰን ክምርዓዋ እትሕግዝ ሜይ ሴራኖ ፉርተስ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2dlvj47kjo"} {"headline":"ብዒባ ከብቲ ተገጫጪቦም ፈጣሪኦም ዘመስግኑ ህንዳውያን","content":"ኣብ ህንዲ ገጠር ጉማታፑራ ዝቕመጡ ህንዳውያን፡ ንፈስቲቫል 'ጉሬሃባ' ብዒባ ከብቲ ብምግጭጫብ ዓመታዊ የኽብርዎ። እቶም ነበርቲ ኣምላኾም ኣብ ዒባ ከብቲ ከምዝተወልደን፣ ዒባ ድማ ቅዱስ'ዩ ኢሎም ይኣምኑ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cjl8056ln82o"} {"headline":"ኣፎም ብጉራደ ሰንጢቖም ዘኽብሩ ታይላንዳውያን","content":"ታይላንዳውያን ኣፎም ብግራጭን ጉራደን ሰንጢቖም ዘኽብርዎ ዓመታዊ ጽንብል ኣለዎም። እቶም ሰባት ብጥንቃቐ ዝምረጹ ኮይኖም ምስ ፈጣሪ ከምዝራኸቡ'ዩ ዝእመን።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw4j4rdmg9do"} {"headline":"ቅድሚ 10 መዓልቲ ሆስፒታል ዝኣተወ ኣሊ ቢራ ሕክምና ይግበረሉ ከምዘሎ ስድራቤቱ ገሊጾም","content":"ድምጻዊ ኣሊ ቢራ ብዝሓደሮ ሕማም ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኣዳማ ካብ ዝኣቱ 10 መዓልቲ ከምዝገበረን ግቡእ ሕክምና ይግበረሉ ከምዘሎን ስድራቤቱ ንቢቢሲ ተዛሪቦም። ወዲ 75 ዓመት ድምጻዊ ኣሊ ቢራ ቅድሚ ሕጂ’ውን ሓሚሙ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣዳማን ኣብ ዝርከቡ ሆስፒታላት ሕክምና ውሽጣዊ ሕማማት ተገይሩሉ ነይሩ። ኣሊ ቢራ ኣብ ዝሓለፉ 60 ዓመታት ብኦሮምኛ ደርፍታቱ ህቡብ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ብዙሓት ንምዕባለ ሙዚቃ ኦሮሞ ዓብዪ እጃም ከምዘበርከተ ይዛረቡ። ኣሊ ቢራ ቅድሚ ሕጂ ሕማም ልቢን ሽኮርያን ከምዘለዎ ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ። ካብ ዩኒቨርስቲ ድሬዳዋን ዩኒቨርስቲ ጅማን ናይ ክብሪ ዶክትሬት ዝተቐበለ ኣሊ ቢራ 260 ደርፍታት ዝደረፈ ክኸውን ከሎ ልዕሊ 30 ሽልማታት’ውን ረኺቡ። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብታ ዝተወለደላ ከተማ ብስሙ ፓርክ ከምዝተሰየመሉ ይዝከር። ኣሊ ቢራ ኣብ ግንቦት 1940 ዓ.ም (ግእዝ) ኣብ ድሬዳዋ ተወሊዱ። ምስቲ ኣብ 1954 ዓ.ም ዝተመስረተ ናይ መጀመሪያ ናይ ኦሮምኛ ጉጅለ ኪነት “አፍረን ቀሎ” ሙያኡ ከምዝጀመረ ይፍለጥ። እቲ ድምጻዊ ካብ ኦሮምኛ ብተወሳኺ ብሱማሊኛ፡፣ ብዓፋርኛ፣ ብሐረሪ፣ ብኣምሓርኛን ብሱዳንኛን ብርክት ዝበሉ ደርፍታት ደሪፉ እዩ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ce9qvd9kg0vo"} {"headline":"ዑፍ መስቀል' ክበሃል ከሎ እንታይ ምዃኑ ትፈልጡ'ዶ?","content":"ዑፍ መስቀል' ንኣዋርሕ ጠፊኡ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሓድሽ ዓመት (ግእዝ) ምስ በጽሐ፡ ብፍላይ ኣብ ፍርቂ መስከረም፡ ይኽሰት ኢሎም ዝኣምኑ ብዙሓት እዮም። ከም ኣዘራርባ'ውን፡ ሓደ ሰብ ንነዊሕ ግዜ ጠፊኡ ጸኒሑ፡ ሃንደበት ምስ ተራእየ፡ ምስታ ዑፍ ብምምስሳል፡ \"ዑፍ መስቀል\" ተባሂሉ ይግለጽ'ዩ። ኣብ ኣዕዋፍ ብቕርበት መጽናዕቲ ዘካይድ ኣቶ ይልማ ደለለኝ ግና፡ እዞም \"ዑፍ መስቀል\" ተባሂሎም ዝጽውዑ ኣዕዋፍ፡ \"ከምቲ ዝበሃል ንነዊሕ ግዜ ተሰዊሮም ጸኒሖም፡ ኣብ ቅንያት መስቀል ዝኽሰቱ ዘይኮኑ፡ ወትሩ ምሳና ዝነብሩ'ዮም\" ይብል። ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ብዑፍ መስቀል ዝጽዋዕ ሓደ ዓይነት ዑፍ ዘይኮነስ፡ ቁጽሮም ካብ ኣርባዕተ ንላዕሊ ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ዘርኢ ዘለዎም ዓይነታት ኣዕዋፍ ምዃኖም እቲ በዓል ሞያ ይዛረብ። ከም ኣብነት ክጠቅስ እንከሎ ድማ፡ 'ሊሎ' ተባሂሎም ዝጽውዑ ኣዕዋፍ፡ ኣብ ውሽጦም ዝተፋላለዩ ዓሌታት ከም ዘለዉ፡ ኣብ ውሽጢ ዑፍ መስቀል ድማ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣለዉ ኢሉ። ኩሉሳዕ ዝራኣዩ ንጹጹላይ' ተባሂሎም ዝጽውዑ ኣዕዋፍ ንባዕሎም፡ ዑፍ መስቀል ተባሂሎም ካብ ዝፍለጡ'ዮም። በብቋንቁኡን ካባቢኡን፡ እቶም ኣዕዋፍ ዝተፈላለየ መጸዊዒታት ክህልዎም ከም ዝኽእል ዝጠቐሰ ኣቶ ይልማ፡ ዑፍ መስቀል ዝበሃሉ ግን ብዙሓት ኣዕዋፍ ዘጠቓልል ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ። ብቋንቋ እንግሊዝ'ውን፡ 'ኢንዲጎ በርድስ'፣ 'ዋይዳ'፣ 'ቢሾፕ' ወይ 'ዊዶው በርድ' ተባሂሎም ዝጽውዑ ኮይኖም፡ ኣብዚኦም ኩሎም'ውን ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣዕዋፍ ምህላዎም ይፍለጥ። ዝቕልቀልሉ ግዜ እዞም ዑፍ መስቀል ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣዕዋፍ፡ ክራማት ምስ ሓለፈ፡ ኣብ ቀውዒን ሓጋይን ብብዝሒ ዝራኣይሉ ወቕትታት'ዩ። ኣቶ ይልማ ከም ዝብሎ፡ ዝበዝሑ ካብኦም፡ ዘራእቲ ዝበልዑ ብምዃኖምን ኣብቲ ወቕቲ'ቲ ድማ ዝስውቱ ኣእካል ብምህላዎምን፡ እቲ እዋን ንክፋረዩ ምቹእ ኩነታት ይፈጥረሎም። እቶም ኣዕዋፍ፡ ብባህሪኦም ወቕትታትን ኩነታት ኣየርን ኣብ ግምት ብምእታዉ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝንቀሳቐሱ ብምዃኖም፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት'ውን ከም ዝርከቡ እቲ በዓል ሞያ ስነ-ኣዕዋፍ ይዛረብ። ዝተፈላለዩ ኣዕዋፋት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ወቕትታት፡ ካብን ናብን ሰሜናዊ ክፍለ-ዓለምን ደቡባዊ ክፍሊ-ዓለምን ከም ዝመላለሱ ይፍለጥ። ካብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ሃገራት ስካንደናቭያን፡ ምብራቕ ኣውሮጳን ሩስያን፡ ወቕቲ ሓልዮም ናብ ኢትዮጵያ ዝመጹ ከም ዘለዉን፡ ነቶም ሳገምቲ (ስደተኛታት) ኣዕዋፍ ዘጽንዑ ኪኢላታት ከም ዝከታተልዎምን ሰብ ሞያ ይሕብሩ። ዝበዝሑ ካብዞም ዑፍ መስቀል ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣዕዋፍ ግና፡ ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ሃራትን'ዮም ዝርከቡ። ንሱ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ኬንያ፡ ኡጋንዳን ታንዛንያን ኣለዉ። ኣቶ ይልማ ከም ዝበሎ፡ ዑፍ መስቀል፡ ንነዊሕ እዋን ጠፊኦም ጸኒሖም ሃንደበት ዝኽሰቱ ዘይኮኑ፡ ኣብ ዙርያና ዝነብሩ'ዮም። ሓደስቲ መሰሊሎም ዝራኣዩና ድማ፡ መስከረምን ድሕሪኡ ዘሎ ኣዋርሕን፡ ብዘካይድዎ ተፈጥራዊ መስርሕ (ከይዲ)፡ ሕብሮም ቀይሮም ስለዝራኣዩ፡ ናይቲ ሓድሽ ዓመት መቐይሮ ኮይኖም ይግለጹ። \"ናይቶም ኣዕዋፍ ተፈጥሮ ምርዳእ የድሊ\" ዝበለ ኣቶ ይልማ፡ እቲ ዘካይድዎ ተፈጥራዊ ለውጢ ኣብቲ ዝፈርይሉ ወርሒ መስከረም ስለዝካየድ'ዩ ይብል። እቲ እዋን'ቲ ቅነ መስቀል ብምዃኑ ድማ፡ ምስኡ ተኣሳሲሮም ከም ዝግለጹ ጌርዎም'ዩ። ኣብ ወርሒ መስከረም ኣንስተይቲ ዑፍ እንቋቑሖ እትወልደሉ እዋን ብምዃኑ፡ እቲ ተባዕታይ ዑፍ፡ ንክልቲኦምን ነቶም ዝጫጭሑ ጨቓዊትን ዝኸውን መግቢ መዕቆብን ናብ ዝርከበሉ ቦታ ብምኻድ ሰፈር ይሰርሕ። ዝፋረይሉ እዋን ብምዃኑ፡ እቲ ተባዕታይ ዑፍ ነዚ ንጥፈታት እዚ ክገብር እንከሎ፡ ጭራኡ ይነውሕ፡ ሕብሩ ድማ ይልወጥ። ሕብሩ ደሚቕ ስለዝኸውን፡ ዓይኒ ሰብ ብምስሓብ ሓድሽ ዑፍ ኮይኑ ክረአ ይኽእል'ዩ ይብል ኣቶ ይልማ። እቲ ብሕብሩ ካብ ርሑቕ ክረአ ዝኽእል ዑፍ፡ ጸሓይ ኣብ ዝበርቀሉ እንተ'ሎ ድማ፡ ሕብሩ ኣዝዩ ከንጸባርቕ ይኽእል'ዩ። እቲ ሰሓቢ ሕብሪ ግን ካልእ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ዘለዎ'ዩ። ከምቲ ዝተጠቕሰ፡ እቲ ወቕቲ ናይ ምርባሕ እዋን ስለዝኾነ፡ እቲ ተባዕታይ ዑፍ ነተን ኣንስትዮ ንምስሓብ ይጥቀመሉ'ዩ። ንሱ ጥራይ ግን ኣይኮነን፡ ሰሓብነቱ ብምዕባይ ነቲ ናይ መውስቦ ዕድላቱ ንምርግጋጽ፡ ዜማታት ከዝይም ይስማዕ'ዩ። ነዚ ዝሰምዑ ካልኦት ኣዕዋፍ ድማ ካብኡ ከም ዝርሕቁ ይገብር- ተቓጸጽቲ የውሕድ ማለት'ዩ። ስለዚ ይብል እቲ በዓል ሞያ፡ ዑፍ መስቀል፡ ብሰንኪ'ቲ ዝልወጥ ሕብሪን፡ ብሩህ ጸሓይ መስከረምን፡ ከምኡ'ውን እቲ ንገጽ ምድሪ ዘወቅብ ገልገለ መስቀል፡ ተደማሚሩ ነቲ ሓድሽ ዓመት ስለዘማዕርጎ፡ ናይ ደስታ ስምዒት ይፈጥር፤ 'ምበር፡ ወያ እቶም ኣዕዋፍ'ሲ ምሳና ዝኸረሙ ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/49858058"} {"headline":"ጋዜጠኛ ሲኤንኤን፡ ጸጉርኺ ተሸፈኒ ስለዝተባህለት ምስ መራሒ ኢራን ዝነበራ ቃለ መሕትት ሰሪዛ","content":"ውርይቲ ጋዜጠኛ ሲኤንኤን፡ ክርስቲያን አማንፑር፡ ንፕረዚደንት ኢራን ቃለ መሕትት ንኽትገብረሉ፡ ጸጕራ ክትሽፈን ስለዝተሓተተት ነቲ መደብ ቃለ መሕትት ሰሪዛቶ። እታ ተወላዲት ኢራን ዝዀነት ጋዜጠኛ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲ ኣብ ኒው ዮርክ ተታሒዙ ዝነበረ ናይ ቃለ መሕትት ቆጸራ፡ ፕሮቶኮል እቲ ፕረዚደንት ጸጕራ ክትሽፈን ምስሓተቱዋ “እዚ ኢራን ኣይኮነን” ብምባል እያ ነቲ ቃለ መሕትት ሰሪዛቶ። እታ ጋዜጠኛ ቅድሚ ሕጂ ምስ መራሕቲ ኢራን፡ ካብ ሃገሮም ወጻኢ ኣብ እትገብሮ ዝነበረት ቃለ መሕትት ጸጕራ ክትሽፈን ተሓቲታ ከምዘይትፈልጥ ተዛሪባ። ተሓጋጋዚ እቲ ፕረዚደንት፡ ብምኽንያት እቲ ኣብዚ እዋን ኣብታ ሃገር ብሰንኪ “ምሽፋን ጸጕሪ ርእስን ሕጃብን” ዝተላዕለ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ነታ ጋዜጠኛ ጸጕራ ክትሽፈን ከምዝሓተታ ሓቢራ። ኣብ ኢራን ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ መዓልቲ ማህሳ አሚኒ ዝተባህለት ጓል 22 ዓመት መንእሰይ “ጸጕርኺ ኣይተሸፍንክን” ብዝብል ንሃይማኖታዊ ጉዳይ ዝከታተሉ ፖሊስ ምስ ኣሰሩዋ  ብምማታ ኣብ ኣስታት 80 ከተማታት እታ ሃገር ብዝተወልዐ ህዝበዊ ናዕቢ ክሳብ ሕጂ 17 ሰባት ሞይቶም ኣለው። እታ መንእሰይ ብተኸታተልቲ ስነ ምግባር ፖሊስ፡ ምስተታሕዘት አእምሮኣ ስሒታ ክትወድቕ እንከላ ዘርኢ ብኣባላት ጸጥታ ዝተቐርጸ ቪድዮ ናብ መላእ ዓለም ምስተዘርገሐ እዩ እቲ ህዝባዊ ዓመጽ ተባሪዑ። ብድሕሪኡ ፖሊስ ናብ ሕክምና እኳ እንተወሰድዋ ብህይወት ክትድሕን ኣይከኣለትን። እቶም ፖሊስ፡ ነታ መንእሰይ ኣብ ርእሳ ብበትሪ ከምዝሃረሙዋ ወይ ምስ መኪናኦም ኣጋጭዮማ ክኸኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ክሲ ይቐርበሎም ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ፖሊስ ነቲ ክሲ ዝድግፍ ዝኾነ ይኹን ዓይነት መርትዖ ከምዘየለን እታ መንእሰይ ምናልባት ብሃንደበታዊ ናይ ልቢ ወቕዒ ሞይታ ክትከውን ከምእትኽእል ገሊጾም። እቲ ኣብ 80 ከተማታት ኢራን ዝተባርዐ ህዝባዊ ተቓውሞ ንሻብዓይ መዓልቱ ቀጺሉ ኣሎ። እቲ ኩነታት ከምዚ ኢሉ እንከሎ እዩ፡ መንፈሳዊ መራሒ ኢራን ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ንክሳተፍ ናብ ኒው ዮርክ ከይዱ። ጋዜጠኛ ኣማንፑር ብኣባላት ፕሮቶኮል እቲ መራሒ ጸጕራ ክትሽፈን ሕቶ ክሳብ ዝቐርበላ ነቲ  ቃለ መሕትት ከተካይዶ ድልውቲ ምንባራ ተዛሪባ። ኣብቲ ኣብ ትዊተራ ዝጸሓፈቶ ከኣ “ንምሽፋን ጸጕሪ ዝምልከት ሕጊ ኮነ ባህሊ ኣብ ዘይብሉ ኒው ዮርክ እዩ እቲ ሕቶ ቀሪቡለይ” ክትብል ተዛሪባ። ተሓጋጋዚ እቲ ፕረዚደንት ጸጕራ ዘይትሽፈን እንተኾይና እቲ ቃለ መሕትት ከምዘይግበር፡ እዚ ከኣ ናይ ኣኽብሮት ጉዳይ ምዃኑ ከምዝተገልጸላ ተዛሪባ። አማንፑር ኮነ ኣዳለውቲ እቲ መደብ፡ “ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ” ብምባል ነቲ ቃለ መሕትት ሰሪዞም ወጺኦም። እታ ስምይቲ ጋዜጠኛ፡ ጸጕራ ከይሸፈነት፡ እታ ፕረዚደንት ኢራን ኮፍ ክብለላ ተሓሲባ ዝነበረት ወንበር ጥርሓ እንከላ ዘርኢ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጠቂዓ ኣላ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ስልጣን ዝተረከበ ፕረዚደንት ራይሲ ዝሓለፈ ነሓሰ ብዛዕባ ናይ ድሕንነት ካሜራታትን ብዛዕባ ጸጕረን ዘይሽፈና ደቀንስትዮ ንኽቕጽዓ ወይ ክምከራ ዘፍቅድን ዝብሉ ዝርከቦም  ሓዲሽ  ኣዋጅ ፈሪሙ ኣጽዲቑ። እቲ ዝኾነት ጓለንስተይቲ ጸጕራ ከይተሸፈነት ቪድዮ እንተደኣ ዘርጊሓ ከምእትቕጻዕ  ዝገልጽ ናይታ ሃገር ናይ ሒጃብ ሕግታት ሕቶታትን ተቓውሞታትን ስለዘልዓለ ሓደ ሓደ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዕጸዋ ጀሚረን ኣለዋ። ኢራናዊያን ደቀንስትዮ ጸጕረን ብምቑራጽን ሒጃበን ብምቅጻልን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይጥቅዓ ኣለዋ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw8e2lewyvjo"} {"headline":"ኤርትራ፡ ጽንብል በዓል መስቀል ብስእሊ","content":"ጽንብል በዓል መስቀል ሎሚ 27 መስከረም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኤርትራ ብድምቀት ተኸቢሩ ውዒሉ። ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝተኻየ ስነስርዓት፡ ላዕለዎት መራሕቲ ሃይማኖት፡ ሰበስልጣን መንግስትን ዲፕሎማሰኛታትን ዝርከብዎ ብዙሕ ህዝቢ ተሳቲፉ። እቲ ብኣመንቲ ክርስትና ዝኽበር በዓል መስቀል፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር'ውን ተጸንቢሉ ውዒሉ። በዓል መስቀል፡ ሓባሪ ምዃኑ ዝእመን ዳሜራ ብምውላዕ ዝኽበር'ዩ። እዞም ዝስዕቡ ስእልታት ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነበረ ጽንብል ንምንጽብራቕ ዝሓረናዮም እዮም፣","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crgdv2p40y5o"} {"headline":"ጓል ወዲ ጆ ባይደን ኣብ ዋይት ሃውስ ተመርዕያ","content":"ዋይት ሃውስ ድሕሪ ኣስታት ዓሰርተ ዓመት ንፈለማ እዋን መርዓ ኣአንጊዱ። ካብ 1812 ንደሓር ኣብ ዋይት ሃውስ ተመሳሳሊ ጽምብል ክካየድ ንመበል 19 ግዜ ጥራይ እዩ። እታ ጓል ሃንተር ባይደንን በዓልቲ ቤቱ ነበር ካትሊን ቡህለንን ዝኾነት ናኦሚ ባይደን ብቀዳም ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ከምዝተመርዓወት ተፈሊጡ’ሎ። ዋይት ሃውስ ብንጹር ንመርዓ ዝድለ ቦታ እዩ - ግና ኹሉ ዝረኽቦ ቦታ ኣይኮነን። ኣባል ታሪኻዊ ማሕበረሰብ ዋይት ሃውስ ዝኾነት ሳራ ፍሊንግ፡ ኣብቲ ቦታ ክንደይ መርዓታት ከም ዝተኣንገዱን መን ከአንግድ ከምዝኽእልን ንቢቢሲ ገሊጻ። ኣብ ወግዓዊ መንበሪን ናይ ስራሕ ቦታን ፕረዚደንት ኣሜሪካ መርዓ ንምእንጋድ ዝኽእሉ ሰባት ኣዝዮም ውሑዳት ምዃኖም ሳራ ፍሊንግ ትገልጽ። \"ብሓቂ ኣብ ዋይት ሃውስ መን ክምርዖ ይኽእል ወይ ክምርዖ ኣይክእልን ዝብል ተሪር ሕጊ ስለዘየለ ዘሐጉስ'ዩ። ብመሰረቱ ብፕረዚደንትን ብቀዳመይቲ እመቤትን ዝውሰን'ዩ።\" መብዛሕትኦም መርዓታት፡ ናይ ቀረባ ቤተሰብ ናይቲ ፕረዚደንት እኳ እንተኾኑ፡ ገለ ኣባላት ሰራሕተኛታት ዋይት ሃውስ'ውን ሳሕቲ ነቲ ዕድል ረኺቦምዎ እዮም። \"ኣብ 1942፡ ናይ ብሓቂ ናይ ቀረባ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ፍራንክሊን ሩዝቨልት ዝነበረ ሃሪ ሆፕኪንስ፡ መርዓኡ ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ክፍሊ ፕረዚደንት ሩዝቨልት ዝነበረ ኦቫል ሩም ክገብር ክኢሉ’ዩ\" ትብል ፍሊንግ። ኣብ 2013 ከኣ ባራክ ኦባማ ንሰኣላይ ዋይት ሃውስ ፒት ሶዛ ኣብቲ ምስ ምዕራባዊ ክንፊ ናይቲ ህንጻ ዝዳወብ ሮዝ ጋርደን ክምርዖ ፈቒዱሉ። ዕብየት ናይቲ መርዓ ከምኡ'ውን ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ዕላዊነት ኣብቶም መጻምድቲ ዝምርኮስ'ዩ። ናይ ዓቐን ደረት የለን፡ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ዋይት ሃውስ ግን ዝተፈላለየ ዓቐን ዘለዎም ፍጻመታት እዮም ዘአንግዱ። ንኣብነት ካብ መጀመርታ 1800ታት ጀሚሩ ኣቀባብላታት ዝእንግድ ብሉ ሩም እቲ ዝነኣሰ ዓቐን ኣለዎ። ኣብ ዋይት ሃውስ ዝተመርዓወ ናይ መጀመርታን እንኮን ፕረዚደንት፡ ግሮቨር ክሊቭላንድ ኮይኑ፡ ኣብታ ክፍሊ ነታ ኣዝያ እትንእሶ - ጓል 27 ዓመት - ፍራንቸስ ፎልሶም ኣብ 1886 ኪዳን ኣትዩላ። መርዓ ናኦሚ ባይደን ኣብ ሰፊሕ ቦታ ሳውዝ ላውን እዩ ተኻዪዱ። ክሽነ ዋይት ሃውስ ን140 ኣጋይሽ ድራር ከአንግድን ንክሳብ 1,000 ሰባት ዝኸውን መዓዲ ከቕርብን ይኽእል። እዚ ኣብቲ ሳውዝ ላውን ዝተካየደ ናይ መጀመርታ መርዓ'ዩ። እቲ ናይ መጀመርታ ኣብ ደገ ዝተኻየደ መርዓ ኣብ 1971 ኮይኑ ናይ ጓል ፕረዚደንት ሪቻርድ ኒክሰን፡ ትሪሻ ኒክሰን እዩ ነይሩ። ዝናብ ዝዘንበሉ መዓልቲ እኳ እንተነበረ ጸሓይ ብእዋኑ ወጺኣ እቲ ስነ-ስርዓት ኣብ ጀርዲን ጽጌረዳ ከምዝቐጸለ ይዝከር። ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን፡ ኣብ ዋይት ሃውስ ዝግበር መርዓ መብዛሕትኡ ግዜ ብሕታዊ እዩ ነይሩ። እቲ ናይ መጀመርታ ናይ ሚድያ ሽፋን ዝረኸበ ኣብ 1906 ዝተፈጸመ ናይ ኣሊስ ሩዝቨልት መርዓ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ኩለን ጋዜጣታት ኣብ ቀዳማይ ገጽ ዜና ነይሩ፡ ንእሽተይ ንምርኣይ ዝደለዩ ሰባት ኣብ ዋይት ሃውስ ተሰሪዖም ነይሮም። ካብ 800 ክሳብ 1,000 ኣጋይሽ ከምዝነበሩ ሚስ ፍሊንግ ትገልጽ። መጠን እቲ ዝድለ ብሕትውና ግን ይፈላለ እዩ። ትሪሻ ኒክሰን ንመርዓኣ ዝኸውን 700 ናይ ፕረስ ፍቓድ ሂባ እያ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cqq25e6eeglo"} {"headline":"ሰብ ጸዓዳን ቀይሕን ዓለባ ንልደት ከድምቕዎ ጀሚሮም።","content":"ቅንያት ልደት ስለዝኾነ እቶም ብጸዓዳን ቀይሕን ዓለባ ዝፍለጡ ኣድምቕቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ከድምቕዎ ጀሚሮም።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cnlg0ky1x20o"} {"headline":"ኢንዶነዥያ ቅድሚ መርዓ ንዝፍጸም ጾታዊ ርክብ ብማእሰርቲ ዘቅጽዕ ሕጊ ከተጽድቕ'ያ","content":"ባይቶ ኢንዶነዥያ ኣብዚ ወርሒ ሓድሽ ገበናዊ ሕጊ ከጽድቕ ትጽቢት ይግበር፡ እዚ ሕጊ ካብ ሓዳር ወጻኢ ንዝፍጸም ጾታዊ ርክብ ክሳብ ሓደ ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ዝቕጽዕ እዩ። ኣብቲ ረቂቕ ዝተሳተፈ ፖለቲከኛ ባምባንግ ዉርያንቶ፡ እቲ ሕጊ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጹ። እቲ ሕጊ እንተጸዲቑ፡ ንዜጋታት ኢንዶነዥያንን ወጻእተኛታትን ብማዕረ ዝምልከት እዩ። ንዝሙት ዝወሃብ መቕጻዕቲ ተግባራዊ ክኸውን ዝኽእል ናብ ሰበስልጣን ጥርዓን ዘቕርቡ ወገናት ምስ ዝህልዉ ጥራይ እዩ። ነቶም ዝተመርዓዉ ድማ ጥርዓን ከቕርብ መሰል ዘለዎ ወገን በዓል ቤት ወይ በዓልቲ ቤት እቲ ገበነኛ እዮም። እቲ ሕጊ፡ ወለዲ ዘይተመርዓዉ ሰባት ጾታዊ ርክብ ፈጺሞም ኢሎም ክሕብሩ እውን ይፈቅድ። ቅድሚ መርዓ ሓባራዊ ምንባር እውን ክእገድ ምዃኑን እቶም ዝተፈርዱ ድማ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ማእሰርቲ ክቕጽዑ ከምዝኽእሉን ተገሊጹ። ጉጅለታት ንግዲ፡ እቲ ሕግታት ኣብ ስም ኢንዶነዥያ ከም መዕረፊት በዓላትን ወፍርን ከስዕቦ ዝኽእል ጉድኣት ስክፍታኦም ገሊጾም ክብል ሮይተርስ ሓቢሩ። ምክትል ኣቦ መንበር ማሕበር ኣስራሕቲ ኢንዶነዥያ (APINDO) ሺንታ ዊድጃጃ ሱካምዳኒ፡ \"ንዓውዲ ንግዲ፡ ምትግባር እዚ ባህላዊ ሕጊ ሕጋዊ ዘይርጉጽነት ክፈጥርን ኣውፈርቲ ኣብ ኢንዶነዥያ ብዛዕባ ወፍሪ መሊሶም ክሓስቡ ክገብርን'ዩ\" ኢላ። እቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ረቂቕ እቲ ሕጊ ኣብ 2019 ክጸድቕ ተሓሲቡ እኳ እንተነበረ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ሰልፍታት ብምስታፍ ብደረጃ ሃገር ተቓውሞታት ኣስዒቡ እዩ። እቲ ቀንዲ ግጭት ኣብ ርእሰ ከተማ ጃካርታ ብዙሓት ተማሃሮ ሓዊሱ ኣብ መላእ ኢንዶነዥያ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ናብ ጎደናታት ኣብ ዝወጹሉ እዩ ተፈጺሙ። ፖሊስ ኣብ ልዕሊ እምኒ ዝደርበዩ ሰልፈኛታት ዘንብዕ ጋዝን መዳፍዕ ማይን ተጠቒሞም። ከምዚ ዝኣመሰለ ጽኑዕ ሕግታት ጾታን ዝምድናን ኣብ ገለ ክፋል ናይታ ዝበዝሐ ኣስላም ዘለዉዋ ኢንዶነዥያ ቅድሚ ሕጂ ዘይተራእየ ኣይኮነን። ኣውራጃ ኣቸ፡ ተሪር እስላማዊ ሕጊ ብምትግባር፡ ቁማር፡ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይን ምስ ኣባላት ኣንጻር ጾታ ብምርኻብን ቀጺዓ እያ። ኣብ ሓደ ጉዳይ ኣብ 2021፡ ጎረባብቲ ንኽልተ ደቂ ተባዕትዮ ጾታዊ ርክብ ፈጺሞም ብምባል ኮኒኖም። ነፍሲ ወከፎም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብሓደ ኣባል ፖሊስ 77 ግዜ ተገሪፎም። ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ፡ ተቐራሪቦም ዝተተሓዙ ሓንቲ ሰበይትን ሰብኣይን ነፍሲ ወከፎም 20 ግዜ ክግረፉ እንከለዉ፡ ክልተ ሰብኡት ድማ ሰኺሮም ነፍሲ ወከፎም 40 ግዜ ተገሪፎም እዮም።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3gd94xnpjxo"} {"headline":"ኣማፕያኖ፡ ካብ ጐደናታት ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ መላእ ዓለም ዝተዘርግሐ ቅዲ ሙዚቃ","content":"ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ጸለምቲ ድኻታት ካብ ዝነብሩሉ ከተማ ዝነቐለ ቅዲ ሙዚቃ ኣማፕያኖ፡ ኣብ ዙርያ ዓለም ተፈላጥነት ረኺቡ ኣሎ። እዚ ቅዲ ሙዚቃ፡ ኣብ ቲክቶክ ብቢልዮናት ረኣይቲ ክረክብ እንከሎ፡ እቲ ሳዕስዒት ጐሊሑ ንኽወጽእ፡ መሃዝነት ደቂ ኣንስትዮ ሞያውያን እቲ ዓውዲ ቀንዲ ተራ እዩ ተጻዊቱ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cere3m43yk7o"} {"headline":"‘መዓልቲ ኣቦታት’፡ ብኸመይ እዩ ጀሚሩ?","content":"መዓልቲ ኣቦታት ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዓለም፡ ኣብ ሳልሰይቲ ሰንበት ናይ ወርሒ ሰነ ይኽበር። በዚ ከኣ ሎምዘበን ጽባሕ ሰንበት 19 ሰነ ክበዓል እዩ። ንኣቦታትን ኣባታዊ ናብዮት ዝህቡን ወይ ኣቦሓጎታት ዝኽበሩሉ መዓልቲ እዩ። ምኽባር እቲ ዕለት ብኸመይ እዩ ጀሚሩ? መዓልቲ ኣደታት ንኣማኢት ዓመታት ክኽበር እኳ እንተጸንሐ፡ መዓልቲ ኣቦታት ግና ክንድኡ ታሪኽ ዘለዎ ኣይኮነን። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከምዝጀመረ ክግመት እንከሎ፡ ብኸመይ ከም ዝጀመረ ዝጸውዩ ብርክት ዝበሉ ዛንታታት ኣለው። እቲ ብዙሕ ተቐባልነት ዘለዎ ግና እቲ ብሓንቲ ሶኖራ ሎዊስ ስማርት ዝተባሃለት ሰበይቲ ኣብ ዋሽንግተን ከምዝተጀመረ ዝገልጽ እዩ። ኣዲኣ ሻድሻይ ቆልዓ ክትሓርስ እንከላ ምስ ሞተት፡ ምሉእ ሓላፍነት እታ ስድራ ኣብ ኣቦኣ እዩ ወሪዱ። ኣብ 1909 ሳኖራ ኣብ ቤተክርስትያን ንመዓልቲ ኣደታት ብዝምልከት ሓደ ስብከት ድሕሪ ምስምዓ ኣቦታት’ውን ክኽበሩ ከምዝግባእ ሓሰበት። ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ብዙሓት ካህናት ነቲ ሓሳብ ምስተቐበልዎ ከኣ ብ 19 ሰነ 1910 ፈላሚ ዘይወግዓዊ መዓልቲ ኣቦታት ከምእተኸበረ ይግመት። ኣብ 1966፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ሊነደን ቢ ጆንሰን ሳልሰይቲ ሰንበት ናይ ወርሒ ሰነ መዓልቲ ኣቦታት ክትከውን ወሲኑ። ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመታት ከኣ ፕረዚደንት ሪቻርድ ኒክሰን ኣብ ሕጊ ክሰፍር ክታሙ ኣንቢሩሉ። ታይላንድ ኣብ ታይላንድ መዓልቲ ኣቦታት ኣብ ዕለተ ልደት ናይቲ ብልዑል ኣድናቖት ዝዝከርን ኣቦ እታ ሃገር ተባሂሉ ዝጥቀስን ንጉስ ብሁሚቦል ኣዱልያደጅ፡ ብ 5 ታሕሳስ እዩ ዝኽበር። ባህላዊ ክዳን እታ ሃገር ሕብሩ ብጫ ኮይኑ፡ በቲ ዕለት ብዙሓት ብጫ ዝሕብሩ ክዳውንቲ ይኽደኑ። ንኣቦታትን ኣቦሓጎታትን ዕምባባ መቃ ምሃብ ልሙድ እኳ እንተነበረ ሕጂ ግና ብዙሕ ዝዝውተር ኣይኮነን። ጀርመን ኣብ ጀርመን ኣቦታት ኣብ ክንዲ ምስ ደቆም ግዜ ዘጥፍኡ፡ ብጉጅለታት ብምዃን መግብን መስተን ዝመልአ ዓረብያ እናጎተቱ ጉዕዞ እግሪ ይኸዱ። ሜክሲኮ ኣብ ሜክሲኮ መዓልቲ ኣቦታት ኣብ ሳልሳይ ሰንበት ናይ ወርሒ ሰነ እዩ ዝበዓል። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ከተማ ሜክሲኮ 13 ማይል ዝርሕቐቱ ‘ቅድድም መዓልቲ ኣቦታት’ (ካሬራ ዲያ ደል ፓድረ) ይካየድ። ቆልዑ’ውን ምስ ኣቦታቶም ብምዃን ክሳተፉ ይኽእሉ። ፈረንሳ ኣብ ፈረንሳ መዓልቲ ኣቦታት ‘ፌተ ደስ ፐረስ’ ብዝብል እዩ ዝፍለጥ። መሰረቱ ናይ ካቶሊክ ጽምብል እኳ እንተነበረ ኣብ 1900ታት ንንግዳዊ ምኽንያታት ካልእ መልክዕ ሒዙ። ኣብዚ እዋን ኣብቲ ዕለት ዕምባባተት ዝርከቦ ዝተፈላለየ ህያባት ይወሃብ። ኣብ ፈረንሳ ኣቦ ብህይወት እንተሎ ቀይሕ ጽገሬዳ ምሃብ ልሙድ እዩ። እንተሞይቱ ግና ኣብ መቓብሩ ጻዕዳ ጽገሬዳ ይግበር።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cxxw9jr813go"} {"headline":"ንምንታይ’ዩ ሓደ ኮርያዊ ዕድሚኡ ምስ ዝሕተት ሰለስተ ዝተፈላለየ መልሲ ዝህብ?","content":"\"ዕድሜኻ ክንደይ'ዩ?\" ተባሂልካ ምስ ትሕተት መልሲ ንኽትህብ ቀላልን ንጽርትን ሕቶ'ያ። ኣብ ደቡብ ኮርያ ግን ንሓደ ሰብ ክንደይ'ዩ ዕድሜኻ ኢልካ ምስ ትሓቶ ሓሲቡ ክምልሰልካ ግድን እዩ፡ ምኽንያቱ ኣቆጻጽራ ዕድሚኦም ካብቲ ካልእ ዓለም ፍልይ ዝበለ እዩ። ኣብ ደቡብ ኮርያ ሓደ ሰብ ትውልድ ምስ ኣበለ ሓደ ዓመቱ እዩ ዝብሃል፡ ሓዲሽ ዓመት ክመጽእ እንከሎ ኸኣ ኣብ ዕድሚኡ ሓደ ዓመት ይውሰኾ። በዚ መሰረት ኣብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ታሕሳስ ዝተወለደ ህጻን፡ ኣብ ውሽጡ ሓደ ሰሙን ወዲ ክልተ ዓመት ይኸውን ማለት'ዩ። ኣብታ ዘይተወደአት ዓመት ስለዝተወለደ ወዲ ሓደ ዓመት ተባሂሉ ይጸንሕ፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ሓዳሽ ዓመት ምስ መጽአት ኸኣ ወዲ ክልተ ዓመት ይብሃል። እንተኾነ ሕጂ ንፕረዚደንትንት ዝወዳደር ዘሎ ዩን ሱ ዮል ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ኮይኑ እንተተመሪጹ ነዚ ጥንታዊ ኣቖጻጽራ ዕድመ ደቡብ ኮርያውያን ክቅይሮ ምዃኑ ተመባጺዑ ኣሎ። ንሱ \"እቲ ኮርያውያን ንነዊሕ ዓመታት ዝተጠቀምሉ ኣቆጻጽራ ዕድመ፡ ምድንጋራት ይፈጥርን ዘየድሊ ማሕበራውውን ቁጠባውን ሃልኪ የኸትልን ኣሎ\" እዩ ዝብል። ሓሳብ ናይ ዩን ሱ ዮል ንብዙሓት'ኳ ምድንጋራት ይፈጥረሎም እንተሃለወ፡ ክኢላታት ግን ኣብ ባይታ ክትግበር ይኽእል ድዩ ዝብል ሕቶ ብኣጋ የልዕሉ ኣለዉ። ሓንቲ ሕቶ ሰለስተ መልሲ ኣብ ኮርያ ዕድመ ውላድካ ትቆጽረሉ ሰለስተ ኣገባባት ኣሎ። ካብ 1962 ጀሚሩ ኣብ መንግስታዊ መዝገባት፡ ዕድመ፡ ሓደ ሰብ ዝተወለደሉ ዕለት መዝጊብካ'ዩ ዝቁጸር። እቲ ካልኣይ ኣገባብ ኸኣ ህጻናት ክውለዱ እንከለዉ ዕድሚኦም ዜሮ ኮይኑ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓዲሽ ዓመት (1 ጥሪ) ሓደ ዓመት ይውስኹ። ኣብዚ ካልኣይ ኣገባብ ሓደ ሰብ ኣብ ታሕሳስ 2020 እንተተወሊዱ ኣብ ጥሪ 2022 ወዲ ክልተ ዓመት ይብሃል (ክልተ ዓመት ንኽመልእ ልዕሊ 11 ኣዋርሕ ተሪፍዎ እንከሎ)። እዚ ኣገባብ እዚ መንግስቲ ወተሃደራት ንክኸትብ፡ ንሕጋዊ ነገራትን ካልእን ይጥቀመሉ'ዩ። እቲ ሳልሳይ ኸኣ እቲ \"ዕድመ ኮርያውያን\" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ፡ ሓደ ህጻን ውልድ ምስ በለ ወዲ ሓደ ዓመት ተባሂሉ ይጽዋዕ፡ ዕለት ክንደይ ተወሊዱ ብዘየገድስ ኸኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓዲሽ ዓመት ኣብ ዕድሚኡ ሓደ ዓመት ይውስኽ። ነዚ ንምርድኡ ክቐለልና፡ ንፍሉጥ ደቡብ ኮርያዊ ድምጻዊ ኣባል ሜጋ ከይ ፖፕ ቢትኤስ፡ ታይ ህዩንግ ኣካ ቪ ንውሰድ። ህዩንግ ኣካ ቪ 30 ታሕሳስ 1995 እዩ ተወሊዱ ስለዚ ንሱ ብመሰረት ኣቆጻጽራ ዕድመ ኮርያውያን ወዲ 28 ዓመት፡ በቲ ኩሉ ዓለም ዕድመ ትቆጽረሉ ወዲ 26 ዓመት: በቲ ካልእ ኣገባብ ኮርያውያን ዝጥቀምሉ ኸኣ ወዲ 27 ዓመት እዩ። ዕድመ ክንብል እንከለና ንመብዛሕትና ምቁጻር ኣዋርሕ ወይ ዓመታት እዩ ኣብ ደቡብ ኮርያ ግን ኪንኡ'ዩ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ኮርያ መምህር ስነ ቋንቋን ስነጽሑፍን ዝኾነት ኣሺን ጂ ያንግ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት \"ኣብ ደቡብ ኮርያ ንሓደ ሰብ ዕድሚኡ ምፍላጥ፡ ነቲ ትህቦ ደረጃ ክብሪ መስፈሪ'ዩ፤ ንምንኣስካ፡ ንመዘናኻን ንምዕባይካን ትህቦ ክብርን ማዕረግን፡ ትኽተሎ ኣገባብ ኣዘራርባን ይፈላለየ'ዩ\" ትብል። እቲ ደቡብ ኮርያውያን ዝጥቀምሉ ኣገባብ ኣቆጻጽራ ዕድመ፡ መበቆሉ ኣብ ቻይናን ገለ ክፋል ኤስያን ከይኑ፡ ሕጂ ግን ደቡብ ኮርያ ጥራይ'ያ ትጥቀመሉ ዘላ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ሃንሱንግ ፕሮፌሰር ሕግን ፖሊሲን ዝኾነ ኪም ኡን ጂ ብወገኑ \"ንደቡብ ኮርያውያን እዚ ዘሎ ዓውለማ ዝያዳ ንዕድሚኦም ከተኩርሉ ኣገዲድዎም እዩ፡ ብፍላይ እቶም ንኣሽቱ ካብ ሃገሮም ምስ ወጽኡ ዕድሚኦም ኣብ ዝሕተትሉ መልሲ ክህቡ ይሽገሩ'ዮም\" ይብል። ነቲ ላግጺ ንጸጋም ገዲፍና፡ እቲ ፖሊሲ ናይ ደቡብ ኮርያ'ውን ንዕድመ ደቡብ ኮርያውያን ብርእዮ ጸልይዎ እዩ። ገለ ስድራ ቤታት ደቆም ኣብ ወርሒ ሕዳር ምስ ዝውለዱ፡ ደቆም ኣብ ትምህርትን ኣብ መጻኢ ህይወቶምን ዓበይቲ ክብሃሉ'ዮም ኢሎም ብምስጋእ ክሳብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዝኾነ መንግስታዊ መዝገብ ከየመዝገብዎም ይጸንሑ'ዮም። ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ክታበት ንልዕሊ 18 ዓመት ይውሃብ ኣብ ዝተብሃለሉ፡ ዕድመ ኩሎም ደቡብ ኮርያውያን በቲ ዓለም ዕድመ ንምቁጻር ትጥቀመሉ ኣገባብ ክስተኻኸል ካብ ብዙሓት ደቡብ ኮርያውያን ሕቶ ቀሪቡ ነይሩ'ዩ። ኣብ ደቡብ ኮርያ፡ ዕድመ ንምቁጻር ከምቲ መላእ ዓለም ትኽተሎ ኣገባብ ንጠቀም ዝብል ሕቶ ሕጂ ኣይኮነን ንፈለማ ግዜ ዝቐርብ ዘሎ። ኣብ 2019 ከምኡ'ውን 2021 ክልተ ክኢላታት ሕጊ፡ ኣገባብ ኣቆጻጽራ ዕድመ ኮርያውያን ከምቲ መላእ ዓለም ትኽተሎ ክኸውን ዝጠልብ ሕቶ ናብ ባይቶ እታ ሃገር ኣቕሪቦም ነይሮም'ዮም፡ እንተኾነ ሕተኦም ተቐባልነት ኣይረኸበን። ምሁራት ከይተረፉ፡ ነቲ ደቡብ ኮርያውያን ዝኽተልዎ ኣቆጻጽራ ዕድመ፡ ይቐየርዶ ኣብ ዝብል ሕቶ 'ባህሊ'ዩ' ብምባል ኣብ ክልተ እዮም ዝገማምዑ። ጃንግ ዮ ስውንግ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዳንኩክ ላዕለዋይ ተመራማሪ እዩ። ንሱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት \"ደቡብ ኮርያውያን ዝኽተልዎ ኣገባብ ኣቆጻጽራ ዕድመ ነጸብራቕ ናይ ባህሊ'ዩ\" ይብል። ብምስዓብ \"ሕብረተሰብና [ሕብረተሰብ ደቡብ ኮርያ]፡ ንሓደ ባህሉን ፍልዩነቱን ዝኾነ ባህሉ ክርሕርሖ ይደሊ ኣሎ፡ ናይ ብሓቂ ድዩ መለሳ-ኣልቦ ክኸውን ዝደሊ ዘሎ?\" ብምባል ተመሊሱ ይሓትት። እንተኾነ ብዙሓት ምሁራት ዝሰማማዕሉ ነጥቢ ኣሎ፡ እቲ ዓለም ትኽተሎ ኣገባብ ኣቆጻጽራ ዕድመ ኣብ ደቡብ ኮርያ ብወግዒ ይኹን ብዘይወግዒ እንተተራዒሙ፡ ደቡብ ኮርያውያን ነቲ ሕጂ ዝኽተልዎ ዘለዉ ኣቆጻጽራ ዕድመ ክገድፍዎ \"ዘይሕሰብ'ዩ\"።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61159143"} {"headline":"ክንደይ ዓይነት ፍሽኽታ ከም ዘሎ ትፈልጡ?","content":"ብዙሕ ግዜ ፍሽኽ ዝብሉ ሰባት ዝያዳ ተፈተውቲ፣ ብቑዓት፣ ምስ ሰብ ዝቀራረቡ፣ ፈተውትን ሰሓብትን ከምዝኾኑ ይሕሰብ። ይኹን እምበር ኣዝዩ ብዙሕ ዓይነት ፍሽኽታ እዩ ዘሎ። ፍሽኽታ ንጹህ ስምዒት ሓጐስ ክገልጽ ይኽእል፤ ንዕቀት፣ ቃንዛ፣ ሕፍረት፣ ሕርቃን ከምኡ’ውን ካልኦት ስምዒታት ዝገልጽ ፍሽኽታ ኣሎ። ፍሽኽታ፡ ምልክት ትሕትና እዩ። ብዘይ ገለ ጎንጺ፡ ፍሽኽ ብምባል ጥራይ ኣብ ሰባት ልዕልና ዘለናን ብሉጻት ከምዝኾንና ክፈልጡ ምግባር ንኽእል። ፍሽኽታ፡ ሰባት ሓቀኛ ስምዒትና ንኸይፈልጡ ነዘናግዐሉ ሜላ ክኸውን'ውን ይኽእል። ከምቲ ንሓስቦ ቀሊል ነገር ኣይኮነን፤ እቲ ኣብ ዓለም ምልክት ሓጐስ ተገይሩ ዝሕሰብ ፍሽኽታ፡ ከም ማስኬራ ወይ ከም መሸፈኒ ገጽ’ውን የገልግል እዩ። ካብ 19 ዝተፈላለዩ ዓይነታት ፍሽኽታ እቶም ኣብ እዋን ሓጎስ ዝርኣዩ ሽዱሽተ ጥራይ’ዮም። ‘ዱቸን’ ዝብል ቃል ካብቲ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ናይ ስነ-ኣእምሮ ክኢላ ዱቸን ደ ቡሎን ዝተወስደ እዩ። ዱቸን፡ ጭዋዳታት ገጽ ብኸመይ ፍሽኽታ ከም ዘርእዩን ብሓፈሻ ብዛዕባ መስርሕ ገጻዊ መግለጺታትን ተገዳስነት ነይርዎ። ንሱ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ ብድምር 60 ዓይነታት ገጻዊ መግለጺ ረኺቡ። ካብቶም ገጻዊ መግለጺታት እቲ ሓደ ድማ ብስሙ ፍሽኽታ ‘ዱቸን’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኮይኑ ምስ ሓቀኛ ስምዒት ደስታን ምድንጋር ዝመልኦ ሓጎስን ዝተኣሳሰር’ዩ። እቲ ፍሽኽታ ምውጥዋጥ ክልተ ጭዋዳታት ጥራይ ዘጠቓልል እኳ እንተዀነ ነዊሕን ጽዑቕን እዩ። መጀመርታ እቲ ኣብ ምዕጉርቲ ዘሎ ጭዋዳ ናብ ኩርናዓት ኣፍ ይሳሓብ፣ ድሕሪኡ እቲ ኣብ ዙርያ ኣዒንትና ዘሎ ጭዋዳ ንምዕጉርትና ንላዕሊ ይስሕቦ፣ እዚ ድማ ባህርያዊ ‘ምጭብባጥ ኣዒንቲ’ የምጽዕ። ፍሽኽታ ዱቸን ባህርያዊ ፍሽኽታ ባህታ ኮይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ብዘይፍቓድና ዝፍጸም’ዩ። ፍሽኽታ ፍርሒ: ከንፈር ተዘርጊሑ ርብዒ-መኣዝን ቅርጺ ዝፈጥር ፍሽኽታ። ከናፍርና ክዝርግሑ እንለዉ ሸፋሽፍቲ ይጭበጡ፡ ኣዒንቲና ድማ ንላዕሊ ተሳሒቦም ይገፍሑን። ፍሽኽታ ፍርሒ ስምዒታዊ ጸቕጢ ዘመልክት እዩ። ኣብ ዕሸላት፡ ሰፊሕ ፍሽኽታ ሓጎስ ወይ ጭንቀት ማለት ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ቅድሚ ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎም ሰባት ዝያዳ ፍሽኽታ ከም ዘርእዩ መጽናዕትታት የመልክቱ። ፍሽኽታ ብሓቂ ብባህርያዊ መንገዲ ዝመጽእ እዩ፤ ግን ከኣ ሕጉሳት ምስ እንኸውን ጥራይ ኣይኮነን። ‘ሕሱም ፍሽኽታ’፡ ዘይምዕሩይን መግለጺ ዓሚቝ ጓሂን’ዩ። ተመራመርቲ፡ ኣብ ውድድር ኦሎምፒክ ኣቴንስ ዝወዳደሩ ልዕሊ 4800 ስእልታት ስፖርተኛታት ብምትንታን፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ጸወታ ተሳዒሮም ብሩር መዳልያ ዝረኸቡ ሰባት፡ ዋላ'ውን ካብ ዝውለዱ ኣትሒዞም ዓይነ ስውራት እንተኾኑ፡ ነዚ ፍሽኽታ ናይ ምፍራይ ዝንባለ ከም ዘለዎም ገሊጾም። ሓቀኛን ሕጉስን ፍሽኽታ ከም’ዚ ሎሚ ተቐባልነት ኣይነበሮን። ኣብ መበል 17 ክፍለዘመን ኣብ ኣውሮጳ፡ ስምዒታትካ ብግልጺ ክርአ ምግባር ከም ዘይግቡእ ተግባር እዩ ዝቑጸር ነይሩ። ኣስናኖም እናተርኣየ ፍሽኽ ዝብል ድኻታት ጥራይ እዮም ነይሮም። ኣብ መበል 18 ክፍለዘመን ግን እቲ ‘ሰውራ ፍሽኽታ’ ኣብ ፓሪስ ተጀሚሩ። እቶም ኣብተን ሓደስቲ ዝተኸፍታ ካፌታት ዝዝናነዩ ዝነበሩ ፈረንሳውያን መሳፍንቲ፡ እቲ ፍሽኽታ ተቐባልነት ንኽረክብ ገይሮም። እዚ ለውጢ ግን ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ኣይተፈጸመን። ንኣብነት፡ ‘ብዘይ ምኽንያት ፍሽኽ ምባል ምልክት ዕሽነት’ዩ’ ዝብል ልሙድ ምስላ ሩስያ ኣሎ። ኣብ ኖርወይ ብዛዕባ ምስራሕ ዝምልከት መንግስቲ ዝበተኖ ጽሑፍ ድማ፡ ዘይትፈልጦም ሰባት ፍሽኽ ክብሉ ኸለዉ ዝሰኸሩ፣ ዝዓበዱ ወይ ኣሜሪካውያን እዮም ኢልካ እንተሓሲብካ፡ ኣብ ኖርወይ ነዊሕ ጸኒሕኻ ኣለኻ ማለት ከምዝኾነ ይገልጽ። ኣብ ጃፓን፡ ሰባት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ስምዒታቶም ክዕፍኑ ኣለዎም ዝብል ስነ-ምግባር ስለ ዘሎ፡ ብዓይኒ ፍሽኽታ ዝያዳ ትኹረት ይወሃቦ። ፍሽኽ ናይ ምባል ድሌት ኣድማሳዊ ክኸውን ይኽእል’ዩ፡ ግን ኣብ ምንታይ ኹነታት ቅቡል ከምዝኾንን ብኸመይ ከም ዝትርጎምን ኣብ ባህላዊ ሕግታት’ዩ ዝምርኮስ። ጥሉል ፍሽኽታ፡ ቅጽበታዊን ሕጉስን ፍሽኽታ ንምቁጽጻር ዝግበር ፈተነ እዩ። ከም እቶም ንኣፍ ዝቆጻጸሩ ገለ ጭዋዳታት ብቐሊሉ ክዕፈኑ ስለ ዝኽእሉ ሰባት ፍሽኽትኦም ንምዕባጥ ኣብ ዝፍትንሉ እዋን ይፍጥር። “ምዕጉርቲ ንላዕሊ ሓፍ ይብል፤ ግን ኩርናዓት ኣፍና ንታሕቲ ንስሕቦ ወይ ከንፈር ብሓባር ገጢምና ንፀቕጦም፡ ዳርጋ “ፍሽኽ ክብል የብለይን” ዓይንት ጻዕሪ እዩ፡’ ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፒትስበርግ ናይ ተገንዝቦኣዊ ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ዛራ ኣምባዳር። ‘ፍሽኽታ ሕፍረት’ ምስ ጥሉል ፍሽኽታ ተመሳሳሊ’ዩ። ግን በቲ  ደም ዝሰረበ ምዕጉርቲ ወይ ድማ በቲ ቅድሚ እቲ ፍሽኽታ ዝፍጠር ዘይምቹእ ኩነታት ብቐሊሉ ክፍለዩ ይኽእሉ። ርእስኻ ንታሕቲን ቁሩብ ድማ ንጸጋም ምዝንባል እውን ካልእ ምልክት ‘ፍሽኽታ ሕፍረት’ እዩ። ዝኾነ ሰብ ደስ ዘይብል ዜና ክንነግሮ ኸለና ሕማቕ ንኸይስምዖ ነርእዮ ፍሽኽታ እዩ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ተሸኪምኪ፡ ን10 ደቓይቕ ሪጋ ሕዝኪ ክርእየኪ ዝጸንሐ ሰራሕተኛ ቤተ መጻሕፍቲ፡ 'መጽሓፍ ምምላስ ዝከኣል ኣብ ራብዓይ ደርቢ ጥራይ እዩ' ኢሉ ብጥዑም ቃላት ክነግረኪ ኸሎ ገላጺ ፍሽኽታ እናርአየ እዩ። ሃንደበት ይጅምር፡ ታሕተዋይ ከንፈር ቁሩብ ንላዕሊ ሓፍ ይብል፡ ሓሓሊፉ ድማ ርእሲ ቁሩብ ንታሕቲን ንጎኒን ዝንብል ይብል። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ሰብ እውን ፍሽኽታ ንኸርእይ ስለዘገድዶ ምናልባት ካብ ኩሉ ፍሽኽታታት እቲ ዝያዳ ዘሕርቕ’ዩ። ዝተፈላለየ ኣጠቓቕማ ኣለዎ። እቲ ናይ ምኽባር ፍሽኽታ፡ መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ግዳያት ዕግርግር ከምዘይብሉ ንምርግጋጽ ይውዕል። እቲ ናይ ምውህሃድ መልሲ ፍሽኽታ ድማ ስምምዕ የርእይ። ከምኡ’ውን እቲ ናይ ሰማዒ መልሲ ፍሽኽታ ድማ ‘ም-ሕምም’ ብዝብል ድምጺን ምንቕናቕ ርእሲን ዝስነ ኮይኑ ኣቓልቦ ትህብ ከም ዘለኻ ዘረጋግጽ እዩ። ካልእ ክንፈልጦ ዘድሊ ድማ ፍሽኽታ ንዕቀት ኮይኑ፡ ዝተሓዋወሰ ስምዒት ምፍንፋንን ቅሬታን ዘመልክት እዩ። ብዘይካ እቶም ስጥም ኢሎም ዝረኣዩ ኩርናዓት ከንፈር፡ ብዘሕዝን መንገዲ ምስ ናይ ሓቂ ባህታ ፍሽኽታ ዝመሳሰል ኮይኑ ንረኽቦ። ኣብቲ ኣብ ዙርያ ድሌታት ውልቀሰብ ብዙሕ ኣቓልቦ ዘይህብ ባህሊ ምብራቕ ኤስያ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣሉታዊ ስምዒታት ማሕበራዊ ስኒት ንምዕቃብ ብፍሽኽታ ይሕባእ እዩ። ኣብ ኢንዶነዥያ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሕርቃን ብቲ ማሕበረሰብ ቅቡል ኣይኮነን። ስለዚ ሰባት ክሓርቑ ከለዉ ብዙሕ ፍሽኽ ክብሉ ይፍትኑ እዮም። ብገማግም ‘እከይ ሓጐስ’ ተባሂሉ ዝትርጎም ‘schadenfreude’፡ ካልኦት ሕማቕ ዕድል ከጋጥሞም ከሎ ዝፍጠር ስምዒት ሓጎስ እዩ። ሰብ ይዕዘበና ከም ዘሎ እንተፈሊጥና፡ እቲ ዝበለጸ ክንገብሮ እንኽእል፡ ኣብ ልዕሊ ፍሽኽታና መግለጺ ሕርቃን ምውሳኽ’ዩ። ውጽኢቱ ድማ ኣብ ራዕዲ ፊልም፡ እቲ ሃውኪ እከይ ዘርእዮ ዓይነት ስኽፍክፍ ዝብል ፍሽኽታ ይኸውን። እዚ ሕውስዋስ ፍሽኽታ ሓደ ካብቶም ባህ ዘብል-ንዕቀት፣ ባህ ዘብል-ፍርሕን ባህ ዘብል-ጓህን ዝኣመሰሉ ሓያሎ ሕውስዋስ ፍሽኽታታት እዩ። ሳላ ዱቸን፡ ዓይኒ ሰብ ጥራይ ብምጥማት ናይ ሓሶት ፍሽኽታ ብቐሊሉ ክፍለይ ከም ዝኽእል ብሰፊሑ ይእመን። ዱቸን፡ ጭዋዳ ዓይኒ ዝጭምደዱ ብሓቂ ፍሽኽ ክንብል ከለና ጥራይ ከምዝኾነ ይኣምን ነይሩ። ሕጂ ግን 71 ሚእታዊት ዝኾኑ ሰባት ብወለንታኦም ክገብርዎ ከምዝኽእሉ ክንፈልጥ ክኢልና ኣለና። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ ሳንታ ባርባራ ናይ ስነ-ኣእምሮ ክኢላ ኣላን ፍሪድሉንድ ከምዝሕብሮ፡ ብፍሽኽታ ዝስነ ሰላምታ ስለ ዝለመድና ብዛዕባ ሓቀኛ ስምዒታትና፡ ገጻዊ መግለጺታት ተጠቒምና ብትሕትና ምሕሳው ለሚድና ኢና። ዋላ’ውን ጽቡቕ ከይኮና ጽቡቕ ኣለና ንብል ኢና። ናይ ሓሶት ፍሽኽ ንብለሉ ብዙሕ ጽቡቕ ምኽንያታት ኣሎ። ኣብ ቅድሚ መስትያት ድኳን ናይ ሓሶት ፍሽኽ ምባል ባዕሉ፡ ነቲ ትፍትኖ ዘለኻ ኣቕሓ ናይ ምዕዳግ ተኽእሎኻ ልዕል ክብል ከምዝገብሮ፡ ኣብ 2013 ዝተገብረ መጽናዕቲ የመልክት። ብሓቂ፡ ሰባት ብገጾም ጥራይ ክፍረዱ ከለዉ፡ ናይ ሓሶት ፍሽኽ ዝበሉ ሰባት ዝያዳ ሓቀኛ ከምዝኾነ ተገይሮም እዮም ዝፍረዱ። ከምቲ ሓደ እዋን ኣሜሪካዊ ተዋዛዪ ኪን ሃባርድ ዝበሎ፡ “በዓልቲ ቤትካ ኣብ ቅድሚ ሓደ ፖሊስ ትራፊክ ፍሽኽ ክትብል እንተዘይሪእኻያ፡ ነቲ ብሉጽ ፍሽኽታ ኣይረኣኻዮን ማለት እዩ” ኒደንታል፡ ‘’ፍሽኽ ንኽትብል ኣብ ዘይገብረካ ኩነታት ትርእዮ ፍሽኽታ ሓሶት’ዩ ኢልና ክንድምድም ኣይግባእን። ብናይቲ ሰብ ባህሊ ወይ ኩነታት፡ ፍሽኽትኡ ሓቀኛ ክኸውን ይኽእል እዩ!’ ኢሉ ኣብ ዓውደ-ጽሑፍ ብዙሕ ኣተኩሮ ከይንህብ የጠንቅቕ። ካልኦት ኣንጸባረቕቲ ምልክታት ግን ኣለዉ። ኮነ ኢልካ ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ከለዉ፡ ፍሽኽታታት ኣዝዩ ሃንደበታዊ ወይ ኣዝዩ ነዊሕ ዝጸንሕ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ወይ’ውን ቅድሚ’ቲ ከሰንዮ ዝግባእ ሓረግ ኣዝዩ ቀልጢፉ ክርአ ወይ ኣዝዩ ነዊሕ ጸኒሑ ክመጽእ ይኽእል። ዘእምን ፍሽኽታ፡ ካብ ምጽባብ ኣዒንቲን ብልጭታ ኣስናንን ዝለዓለ እዩ። ናይ ሓቂ ፍሽኽታ ኣዒንቲ ክንቀሳቐሳ ዝገብር እዩ። ሓደ ሰብ ፍሽኽ እናበለ፡ ገጹ ምንቅስቐስ ዘየርእይ እንተኾይኑ ፍሽኽትኡ ናይ ሓሶት ክኸውን ይኽእል’ዩ። ናይ ሓሶት ፍሽኽታ ንኽልቲኡ መስርዕ ኣስናን ናይ ምጥቕላል ልዑል ተኽእሎ ኣለዎ። ናይ ሓቂ እንተኾይኑ ግን ነቲ ታሕተዋይ መስርዕ ኣስናኑ ናይ ምቅላዕ ተኽእሎኡ ትሑት ይኸውን። ናይ ሓቂ ፍሽኽታ ኩርናዕ ኣዒንቲ ክጨማደዳ ወይ ክዕመታ ይገበር፤ ፍሽኽ ዝብል ሰብ ኣዒንቱ እንተዘይዓሚቱ ወይ ኩርናዕ እንተዘይተጨማዲዱ፡ ፍሽኽታኡ ሓቀኛ ዘይክኸውን ይኽእል። ብተወሳኺ እውን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ሰብ ሰብነቱ ተዛኒዩ እዩ ብሓቂ ፍሽኽ ዝብል። ስለዚ ኣካላቱ ውጥር ኢሉ ከምኡ’ውን ኣእዳዉ ኣብ ኣፍልቡ ገይሩ ፍሽኽ ዝብል ሰብ፡ ፍሽኽታኡ ናይ ሓሶት ናይ ክኸውን ልዑል ተኽእሎ ኣለዎ። ነቲ ፍሉጥ ፍሽኽታ ሞናሊዛ ዘይውከስ ዝኾነ ዝርዝር ፍሽኽታ ምሉእ ኣይኾንን። ምስ ኩሉ ምስጢሩ፡ ነዚ ሃሳስ ፍሽኽታ ምምዳብ ቀሊል እዩ። እቲ ሊዮናርዶ ዳ ቪንቺ ዝሰኣሎ ስዕሊ ናይ ኩሽማን ተግባር ከም ዘርእይ ክኢላታት ስነ-ኣእምሮ ይፈልጡ እዮም። እታ ኣብቲ ስእሊ ትርአ፡ ናብ ርሑቕ እናጠመተት ብድምቀት ፍሽኽ ትብል፡ መሊሳ ቅድሚ ገጻ ምልስ ምባላ ንጐድኒ እናጠመተት ‘ናይ ሕፍረት’ ፍሽኽታ ክምስ ትብል። ስለዚ ንቐጻሊ ሰባት ‘ፍሽኽ በሉ’ ክብልኹም ከለዉ፡ ዓይነት ፍሽኽታ ምምራጽ ናታትኩም ግደ ከምዝኾነ ኣይትዘንግዑ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/czkleggy1pgo"} {"headline":"በዓል ትንሳኤ፡ ሃገራት ዓለም ንምንታይ ኣብ ዝተፈላለየ መዓልቲ የኽብራ?","content":"ምናልባት ንስኹም፡ ንበዓል ትንሳኤ እየሱስ ክርስቶስ ዝኸውን ምግብን መስተን ትዕድጉን ነዚ ኣውደ-ዓመት ትሸባሸቡን ኣለኹም ትኾኑ። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና፡ በዓል ትንሳኤ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን'ዮም ኣኽቢሮም። ይኹን'ምበር ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ሃገራት ድማ በዓል ትንሳኤ (ፋሲጋ) ፅባሕ ሰምበት ንምኽባር ኣብ ድሮ በዓል ይርከባ። ኣብ ኣውሮጳ፣ ኣፍሪቃን ማእኸላይ ምብራቕን ዝርከቡ ሰዓብቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ፡ ኣብ ምዕራብ ዓለም ካብ ዝርከቡ ሰዓብቲ ክርስትና ዶንግዮም'ዮም ነዚ በዓል ዘኽብርዎ። ንምዃኑ እዚ ንምንታይ ኮይኑ? በዓል ትንሳኤ (ፋስጋ) ናይ ክርስትያን በዓል እንትኾን፡ ሰዓብቲ እዚ እምነት እየሱስ ክርስቶስ ንሞት ስዒሩ ዝተንሰአሉ ዕለት ዘኪረሞ ይውዕሉ። እዚ በዓል ድማ ትንሳኤ ተባሂሉ ይፅዋዕ። እዚ በዓል ኣብ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ዓብይ በዓል እዩ። ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ዓለም፡ እዚ በዓል ን40 መዓልታት ብዝፀንሕ ፆም እዩ ዝጅምር፤ እዚ ፆም ብንፅህቲ ሰኑይ (ክሊን መንደይ) ጀሚሩ ኣብ ናይ ፋስጋ ቀዳም ይዛዘም። ንፅህቲ ሰኑይ ኣመንቲ ብፆም ኣርብዓ ካብ ሓጥያቶም ምፅራዮም ተመልክት እያ። ካብ ትንሳኤ ሸሞንተ መዓልታት ቅድም ኢላ ዘላ ቀዳም ፆም ኣርብዓ ምዝዛሙ ትሕብር። ይኹን'ምበር እቲ ፆም ክሳብ በዓል ትንሳኤ እዩ ዝቕፅል። በዓል ትንሳኤ ቅድሚ ምኽባሩ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ቀዲማ ትርከብ ሰንበት ድማ ስየ ዝእሰረላ በዓል እያ። ኣብዛ መዓልቲ ሰባት ኣብ ኢዶም ካብ ስየ ዝተሰርሐ ቀለበት ኣሽዑና (ሆሳእና)፣ ኣብ ግምባሮም ድማ ስየ ብምእሳር እየሱስ ክርስቶስ ናብ እየሩሳሌም ዝኣተወላ ዕለት ዘኪሮም ይውዕሉ። ካብኡ ሰሙነ ሕማማት ስዒቡ ቀፂሉ፡ ሰምበት ብበዓል ትንሳኤ (ፋሲጋ) ይዛዘም። ኣብ ዓለም በዓል ትንሳኤ ኣብ ዝተፈላለየ መዓልታት'ዩ ዝኽበር። በብዓመቱ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ኣይኽበርን። እዚ ማለት ከም በዓል ልደት ፍሉጥ ዕለት የብሉን። ከም ሃገራት ግሪክ፣ ቆጵሮስን ሮማኒያን ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕ ጁሊያን ተደሪኸን እየን በዓል ትንሳኤ ዘኽብራ። ኣቆፃፅራ ዘበን ጁሊያን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ብ45 ብጁሊየስ ቄሳር ዝተዳለወ እዩ። እዚ ኣቆፃፅራ ዘበን፡ ፀሓይ ንመሬት ንምዛር ኣብ ዝወሰደላ ግዘ ተደሪኹ ዝተሰርሐ እዩ። ኣቆፃፅራ ግሪጎሪያን ድማ፡ ብጳጳስ ግሪጎሪ ብ1582 ዝተዳለወ እንትኾን፡ መፅናእቲ ኣስትሮኖሚ ትኽክለኛ እናኾነ ብምምፅኡ ኣብ አቆፃፅራ ዘበን ጁሊያን ዘለዉ ሓደሓደ ግድፈታት ንምስትኽኻል ዝተሰርሐ እየ። ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ 1752 ዘበን ኣቆፃፅርኣ ናብ ግሪጎርያን ቀይራ። ስለዝኾነ ድማ ሃገራት ዓለም፡ ነዚ በዓል ኣብ ዝተፈላለየ መዓልቲ ዘኽብርኦ ዘለዋ መዓልቲ ኣቆፃፅረአን ስለዝፈላለይ እምበር ካልእ ምኽንያት የብሉን። ሰዓብቲ እዚ እምነት ናብ ቤተ-ክርስትያን ከይዶም ብምጽላይ፣ ብምስጋድ፣ ሃይማኖታዊ ኣስተምህሮ ብምስማዕ የኽብርዎ። እቲ ወሳኒ ዝኾነ እዋን ድማ ካብ ዓርቢ ስቕለት ይጅምር። ቀንዲ ስርዓተ ጸሎት ዝግበር ድማ ኣብ ድሮ ትንሳኤ ኣብ ዘላ ለይቲ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዙሓት ሰባት ነዛ ለይቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን እዮም ዘሕልፍዋ። ኣብ ቤተ-ክርስትያን ደወል ይድወል፣ እየሱስ ክርስቶስ ንሞት ስዒሩ ዝተንሰአሉ ንምኽባር ድማ ርችት ይትኮስ። ድሕሪ እዚ፡ ፆም ምስተፈትሐ ዘለዉ ከይዲ ኣበዓዕላ ግና ዝበዝሕ ግዘ ኣብ ምግቢ ዘድሃቡ'ዮም። ኣብ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ፡ መብዛሕትኦም ሰዓብቲ እዚ እምነት ብፍላይ ድማ ዝፀሙ ኣመንቲ፡ ፈለማ ብእንጣጢዕ ወይ ድማ ልስልስ ዝበሉ ምግብታት እዮም ዝበልዑ። ድሕሪ እዚ ፀብሒ ደርሆ ይስዕብ። በዓል ትንሳኤ ብዝተኸሸነ ፀብሒ ደርሆ ምቁዳስ ልሙድ እዩ። ካብኡ ከከም ባህሉን ከባቢኡን፡ ናይ በጊዕ ስጋ፣ ዱለት፣ ጥብሲ፣ ክትፎ፣ ሕብሽቲ፣ ስዋን ሜስን ይስዕብ። ጎረቤትን ፈታውን ዘመድን ተኣኪቡ ብሓባር ነዚ በዓል ብሓጎስ የሕልፍዎ። ኣብ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ግሪክ ድማ፡ ብባህላዊ መገዲ ዝተጠበሰ ናይ በጊዕ ስጋ ጥዑም ሕብሽቲ ፋሲጋን ይምገቡ። ፆሞም ዝፈትሑ ድማ፡ ማግሪቲሳ ብዝበሃል ባህላዊ ምግቢ'ዩ። ማግሪቲሳ ካብ ስጋ በጊዕ፣ ሩዝን ቅመማትን ዝተዳለወ መረቕ ኮይኑ፡ ቅድሚ ካልእ ምግቢ ምብልዖም ዝምገብዎ ዓይነት ምግቢ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ እንጣጢዕን ካልኦት ልስልስ ዝበሉ ምግብታትን ከምዝብላዕ ማለት እዩ። ኣብ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ሰርብያ ድማ፡ ሽውሃት ምግቢ ብዝኸፍቱ ካብኡ ድማ ብዝተጠበሰ ስጋ፣ ቺዝ፣ ዝበሰለ እንቋቑሖን ቀይሕ ነቢትን ፆሞም ይፈትሑ (ይፍስጉ)። ኣብ ሰርቢያ ካብ ደርሆ ዝተሰርሐ ኑድል ወይ ካብ ናይ በጊዕ ስጋን ኣትኽልትን ዝተሰርሐ መረቕ ቀንዲ ምግብታት ፋሲካ እዮም። ኣብ ክርስተያን ኦርቶዶክስ ሩስያ ከኣ፡ ብባህላዊ ፓስካ ኬክ እዮም ፆሞም ዝፈትሑ። ኣብ ምዕራብ ዓለም፡ እንቋቁሖ ምልክት ትንሳኤን ሓድሽ ሂወትን እዩ። ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብ ዕለተ ትንሳኤ ንድሕነት ደቂሰባት ክብል ኣብ መስቀል ንዝፈሰሰ ደም እየሱስ ክርስቶስ ንምውካል እንቋቁሖ ቀይሕ ቀለም ይልከ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61189323"} {"headline":"ባህልን መንነትን፡ ሸውዓተ ክብርታት ኣሸንዳ-ትግራይ","content":"መሬት ብዝናብ ወርሓት ኽረምቲ ርሒሳ፡ ዘራእቲ ክሽውት ምስ ጀመረ፡ ሸዊት ንኣሽቱ ኣዋልድ ከኣ \"ስየ. . . ይዓወይ ስየ\" እናበላ ክደርፋን ክዘላን ዝህንጠዋሉ እዋን እዩ። በዓል ኣሸንዳ፡ ልዕሊ ካልኦት በዓላት ድሙቕን ውቁብን'ዩ። ወርሒ ነሓሰ እንትብሕት፡ ካብ ስነ ልቦናውን ቁሳውን ምድላው፡ ክሳብ ምሕዳስ መንፈስን ስጋን ዝበጽሕ ምድላው ንምግባር፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ትኽስ ዝብላ ኣይመስላን። ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ካብ ርእሳ ክሳብ ጽፍሪ እግራ ዘደንቕ ቁንጅና፣ ኣዞን ወዝን ክትውንን፡ ካብ ንኡሽቶ ክሳብ ዓብዪ (ካብ ቁኖ ጸጒሪ ርእሲ፣ ኮንጎ ሳእኒ ክሳብ ጥልፊ ክዳን) ምድላዋት ተጻፍፍ። ምሉእ ናጽነት ዝጎናጸፋሉ በዓል ኣሸንዳ ንምኽባር፡ ዳርጋ ናይ ኣዋርሕ ምድላው ክገብራ ዝጸንሓ ደቂ ኣንስትዮ፡ ናብ ኣደባባይ ክወጻ እንከለዋ፡ ዓለም 'ኩሉ ንዓኽን' ዝበለተን እዩ ዝመስል። ነቲ ወትሩ እግረኛታትን ተሽከርከርትን ዝመልእዎ ኣደባባያት፡ ቆልዑ ኣሸንዳ ይብሕተኦ። \"ኣዋልደይ ቆልዑ ማይዱርየ ስነን ጸባ መልክዐን ድርድርየ. . .\" ዝብል ዜማ ናእዳ እናዜማ 'ይዓወይ ስየ' ዝደርፋ ሰብ ጥልፍን ቆጽሊ ኣሸንዳን፡ ንዓብዪን ንኡስን ሃነን እየን ዘብልኦ። ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ቅዱስ ፍሬምናጦስ ኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን፡ መምህር ቅኔን መጽሓፍን ዝኾኑ ሊቀ ሊቃውንቲ ያሬድ ካሳ \"እቲ በዓል ናይ ኩሉ ኣማኒ ክርስትያን'ኳ እንተኾነ፡ ብፍሉይ ግን ሓዳር ዘይገበራ ደናግል ደቂ ኣንስትዮ ዘኽብርኦ'ዩ\" ይብሉ። \"ምሳሌ ድንግል ማርያም'ዩ። ቅድሚኡ ሰብኡት ንኣንስቲ 'ብሰንክኽን ኢና ካብ ገነት ወጺእና፤ ምስ እግዚሄር ተባኢስና' እናበሉ ይምክሑለን ነይሮም። እየሱስ ካብ ድንግል ማርያም ምስ ተወለደ ግን፡ ብህይወት እየሱስ ናብ ገነት ተመሊስኩም ኢለን፡ ብአአን ተመሲሉ\" ይብሉ። ምሁር ባህልን ስነ ቃልን ኣቶ ኣለማየሁ ሃፍቱ ብወገኑ፡ ኣብ እዋን ኣሸንዳ ዝድረፉ ስነ ቃላት ባዕሎም፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ንሓዳር ዘይበቕዐት ምዃና ስለ ዝገልጹ ናይ ደናግል በዓል'ዩ ክበሃል ይከኣል ይብል። \"ቅድሚ ኣሸንዳ፡ ኣብ ጾመ ፍልሰታ ስጋወደሙ ዝቕበላ፡ እተን ደናግል እንብለን ንሓዳር ዘይአኣኸላ ኣዋልድ ብምዃነን፡ ሓንቲ ጓል ኣሸንዳ 'ዓወይ ስየ ክጻወት'የ፡ ኣይጓልን እንድየ' ክትብል ከላ፡ ነቲ ጸወታ ዘይኮነ ገና ድንግል ጓል ምዃና ዝሕብር'ዩ\" ይብል። ኣሸንዳ፡ 'ሻደይ'፣ 'ኣሸንድዬ' ተባሂሉ'ውን ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ይበዓል'ዩ። ንምዃኑ፡ ክብርታት እዚ በዓል እንታይ'ዮም? ደቂ ኣንስትዮኸ ብኸመይ የንጸባርቕኦ? ማዕርነትን ናጽነትን ቆልዑ ኣሸንዳ፡ ክሳደን፣ ጨጉሪ ርእሰን፣ ዓይነን፣ ኢደንን እግረንን ብዝተፈላለዩ ባህላዊ መጋየጺታት ኣመላኺዐን፤ ኣብ ሽምጠን ድማ ቆጽሊ 'ኣሸንዳ' ይዕጠቓ። ንጽባቐ ሓንቲ ጓል ኣሸንዳ ዘድነቐ ወይ 'ነገር ዝደለየ' ወዲ ተባዕታይ፡ ነቲ ቖጽሊ ስሕብ እናበለ ክተቕልበሉን ቁሊሕ ኢላ ክትርእዮ ይፍትን። ቆልዓ ኣሸንዳ ግን ገጽ ኣይትህቦን። ሊቃውንቲ ቤተክህነት፡ ነዚ ኩነታት ምስቲ ኣብ እዋን 'ዕርገት ስጋ ድንግል ማርያም' ዝነበረ ፈተናታት 'ኣጋንንቲ' እዮም ዘዛምድዎ። ምሁራት ሳይንስን ማሕበራዊ ጉዳያትን ድማ፡ በዓል ኣሸንዳ ፍልስፍና ማዕርነት፣ ናጽነትን ማሕበራዊ ስነ ሞገትን ዝንጸባረቐሉ ፍሉይ በዓል እዩ ይብሉ። ኣምባሳደር ኣሸንዳ ትግራይ፡ ስነ ጥበባዊት ፍርያት የማነ፡ በዓል ኣሸንዳ 'ባህልኻ እትሕልወሉ ውርሻ ' ኮይኑ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ባዕለይ ዝብልኦ መንነተን ዝገልጻሉ በዓል'ዩ ትብል። \"በብግዚኡ ዝኾነ ነገር ከይተወሰኾ ዝቐጸለ ባህላዊ ውርሻ'ዩ። ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ገጠር፡ ካብ ካልኦት ተደረብቲ ስራሕቲ ሽዓ እየን ነጻነተን ዝረኽባ። እዚ በዓል፡ ሓሳበን ብነጻነት ዝገልጻሉ፣ ድላየን ዝገብራሉ፣ ጸቢቐን ዝወጽኣሉን ምስ ሰባት ዝራኸባሉን'ዩ\" ትብል። መምህር ስነ ሰብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ሰናይት ኣብርሃ ብወገና፡ ነጻነትን መዓርነትን፡ ሓደ ካብቶም ክብርታት ኣሸንዳ'ዩ ብምባል ትገልጽ። \"በዓል ኣሸንዳ፡ ደቂ ኣንስትዮ ናፊቐንኦ ጸኒሐን፡ ድላየን ዝዛረባሉ፣ ናብ ድላየን ዝኸዳሉ፣ መብጽዓ ኣትዮምለን ንዝጸንሑ ዘመስግናሉ ፌስቲቫል ኮይኑ፡ ቕድም ኢሉ ተጸቒጡ ዝነበረ ብነጻነት ናይ ምዝራብ መሰለን ተቐንጢጡ፡ ኣብቲ ግዘ ንሱ ክነቕፍኦ ንዝደልይኦ ሰብ ዝነቕፋሉ፣ ንዝሙገስ ድማ ዘመጉሳሉ በዓል'ዩ\" ኢላ። ነዚ ድማ ይመስል፡ ኣብዛ ዕለት ዓው ኢለን ድምጸን ንምስማዕ ኾነ ንምዝራብ ዘይሓንካ። ፍርያት የማነ \"ደቂ ኣንስትዮ ርእሰ ተኣማንነተን ብምዕባይ፣ ጥምረት ወይ ሕብረት ዝፈጥራሉ ናይ ነጻነት በዓል'ዩ። ሓሳብ፣ ጽባቐ ዝግለጸሉ ናይ መዘናግዒ መድረኽ'ውን እዩ\" ትብል። ቆልዑ ኣሸንዳ፡ ኣብዚ በዓል ዝጥቀማሎም ኣልባሳት፣ ኩሕልን ኩትቻን ዝኣመሰሉ መመላኽዕታት፡ ቀሊል ዘይብሃል ምድላው ዝገብራሉ'ዩ። እዚ በዓል፡ ሃይማኖታዊ ድርኺት ከም ዘለዎ፡ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ትኣምን። ኣሸንዳ ሃይማኖታዊ መሰረት ዝለበሰ በዓል'ዩ እንተተብሃለ'ውን፡ ኣብ ከይዲ ክዋንኡ ግን ከከም ከባቢኡን ኣመጻጽእኡን ባህሊ'ውን ዝሓወሰ'ዩ፡ ይብል ምሁር መጽናዕቲ ባህልን ስነ ጽሑፍን ኣለማየሁ ሃፍተ። ጽባቐን ሓድነትን ድማ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብፍሉይ ዘንጸባርቕኦም ክብርታት ኣሸንዳ ከም ዝኾኑ ብምጥቃስ፡ ርእሰ ምትእምማን ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዚያዳ ጎሊሑ ዝወጽኣሉ ዕለት እዩ ክብል የብርህ። \"ኣዋልድ ዚያዳ እቲ ካልእ መዓልቲ ጸቢቐን ኣብቲ መዓልቲ ዘለወን ክብሪ፣ ውሽጣውን ደጋውን ርእሰ ምትእምማን ዘርእያሉ ዕድል'ዩ። ዝተፈላለየ ባህሪ፣ ብርኪ መነባብሮ፣ ድልየትን ዝንባለን ዘለወን ደቂ ኣንሰትዮ ናብ ሓደ መጺአን ባህሊ ወለደን ዝገልጻሉ መዓልቲ'ዩ\" ይብል። \"ንጻወት እንዶ ንተሓዋወስ'የ ዘመን ክምለስየ\" ዝብል ሓደ ተለላ ደርፊ ቖልዑ ኣሸንዳ ብምጥቃስ፡ እዚ ንሕና ሓደ እንተኾይንና'ዩ እቲ ሰናይ ዘመን ክመጽእ ዝኽእል፣ ባህልና እንዝክሮ ንሕና ተሓዋዊስና ሓደ እንተኾይንና'ዩ ዝብል መልእኽቲ ስለ ዘለዎ፡ ምስክር ሓድነተን'ዩ ይብል ኣለማየሁ። ኣሸንዳ፡ ካብ ካልኦት በዓላት ፍሉይ ዝገብሮ፡ ናይ ንሕንሕ ዓውዲ ኮይኑ ምቕራቡ'ዩ። ደቂ ኣንሰትዮ እንተውሓደ ብኣከዳድና፣ ብመጋየጺታት፣ ብክእለት ምንጓሕ ደርፊ፣ ፈጠራዊ ዜማታትን ካልኦትን፡ \"ዲደይ'ዶ ዲደኺ ትዕምርየ፤ ዲደይ ድኣ ጓለይ. . .\" እናበላ፡ በብኣናኣሽቱ ጉጅለታት ተወዚዐን ይጻወታ። ኣቶ ኣለማየሁ ሃፍተ ከም ዝብሎ ድማ፡ ኣሸንዳ ፍልስፍና ጾታ'ውን ዝርኣየሉ'ዩ። \"ደቂ ኣንስትዮ እንታይ ይደልያ፣ እንታይ ይጸልኣ፣ ከመይ ነይረን፣ ከመይ ኣለዋ፡ በቶም ዘዝይምኦም ስነ-ቃላት ናይ ምግላጽ ተኽእሎ ስለ ዘለወን ፍልስፍንአን የርእያ እየን\" ዝብል ኣቶ ኣለማየሁ፡ \"ኣዋልደይ ሎሚ ዕበዳ፤ ላዕላይ ሰማይ'ዶ ኣለዎ ማይዳ\" ክብላ ከለዋ፡ ዓብዪ ፍልስፍና ህይወት'ዩ ይብል። \"ደቂ ሰባት ነቲ ክመጽእ እዩ ኢልና ብዛዕባ እንጽበዮ ካልኣይ ዓለም ኢና ንሓስብ። ንሰን ግን እታ ዝተውሃበትና እታ ንፈልጣ ዓለም ክንጥቀመላ ንኽእል ኣለና፡ ሎሚ እንተዘይተጻዊትክን ኣብ ላዕላይ ሰማይስ ሜዳ ዝህሉ'ዶ ይመስለክን ዝብል ዓብዪ ናይ ስነ ተፈጥሮ ፍልስፍና'ውን ዘርእያሉ መገዲ'ዩ\"። ምሁራት መጽናዕቲ ባህልን ስነ ጽሑፍን፡ ባህሊ፡ ብሓደ ወገን ከም ዘዳሊ፤ በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ክብርታት ሓሊኻ ንክትኸይድ ዝገብር'ዩ ይብሉ። ኣሸንዳ ከም ሓደ ትውፊታዊ በዓል፡ ማሕበራውን ስነ ልቦናውን ትርጉም ከም ዘለዎ ዘልዕል ኣቶ ኣለማየሁ፡ ደቂ ኣንስትዮ ዚያዳ እቲ ኻልእ መዓልቲ ብዛዕባ ሓድነተንን ስነ ጾታን ዝሓስባሉ፣ ዘለወን ጽባቐ ብምግላጽ፡ ንዝተፈላለዩ ባህላዊ እምነታት እቲ ሕብረተሰብ ዝምጉታሉ ባይታ'ዩ ክብል ይገልጾ። ጓል ኣንስተይቲ ደገ እንተወጺኣ ብዙሕ ጸገም ክበጽሓ'ዩ፣ ደቂ ተባዕትዮ ብዘይፍቓዳ ወሲዶም ዘይትደልዮ ነገር ክትፍጽም ትኽእል'ያ ዝብል ስግኣትን ባህላዊ እምነትን እቲ ሕብረተሰብ፡ ኣብዚ ዕለት ብገሃድ ከም ዝምጎት እውን ይዛረብ። \"ኣብታ መዓልቲ፡ ኣብ ውሽጠን ብዝፍጠር ስብእና እምበር፡ ደገ ስለ ዝወጽኣ፣ ሰብ ስለ ዝርኣያ፣ ዓርሰን ብነጻነት ስለ ዝገለጻ ኣይኮነን ሕማቕ ነገር ዝሓስባ ዝብል ስነ ልቦናዊ ሞጎት ኣብ ኣሸንዳ ይርአ'ዩ። ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኩል ጊዜ ተዓቢጠን፣ ካብቲ ማሕበራዊ ህይወት ተገሊለን ክነብራ የብለንን፡ ስለዚ ነጻነተን ዝእውጃሉ መዓልቲ ክህልወን ኣለዎ ዝብል ኣተሓሳስባ ዝተፈጠረሉ ስለ ዝኾነ፡ ኣሸንዳ ኣተሓሳስባ ናይቲ ማሕበረሰብ ዝግለጸሉ፣ ስነ ጾታዊ ሞጎት ዝካየደሉ፣ ብርኪ ጾታን ጓል ኣንስተይቲ ዝርኣየሉን በዓል'ዩ\" ኢሉ። ደቂ ኣንስትዮ ኣሸንዳ፡ ናብ ሩባ ከይደን ማይ ብምሕጻብ፣ ቤተክርስቲያን ከይደን ዓመት ንዝዓቖረን ፈጣሪአን ኣመስጊነን እየን ጓይላ ወይ ጸወታ ኣሸንዳ ዝጅምራ። \"ሓዛለይ ሓዛለይ . . . ጎይታይ ኣጋፋሪ ኽፈተለይ በሪ . . .\" ኢለን ዝረኸብኦ ውህብቶ፡ ምስቲ ማሕበረሰበን እየን ዝካፈልኦ እትብል መምህር ስነ ሰብ ሰናይት፡ \"ኣብ ገጠራት ንቤተክርስቲያን ከበርክታ፡ ኣብ ከተማ ድማ ንመሐገዚ ኣረጋውያን ወይ መንግስታዊ ልምዓት ከወፍይኦ ኢና ንዕዘብ\" ኢላ። ስነጥበባዊት ፍርያት የማነ ብወገና፡ እቲ ኣሸንዳ ኢልካ ዝርከብ እቶት ኣብ ገጠራት ብልክዕ እቲ ዝነበረሉ ተሓልዩ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ኣብ ከተማታት ሓሓሊፉ ዝፍለይ ባህሪያት ከም ዝርኣዮ ትዛረብ። \"እቲ ባህሊ ዝሃስስ ኣይኮነን፤ ግን ምስ ግዜ እናተቐየረ ዝመጽእ ነገራት ከም ዘሎ ትዕዘብ ኢኻ። ኣብ ገጠር ከም ቀደሙ ኣሸንዳ ተባሂሉ ዝርከብ እቶት ንቤተክርስቲያን ብምሃብ፣ ዝጠመየ ብምዕንጋል በረከት ዝርከቦ ነገር ይስርሐሉ። እቲ ባህሊ ብዝግባእ ክፍለጥ እንተገይርናዮ ግን፡ ስርዓቱ ሓልዩ ክሓልፍ ይኽእል'ዩ ኢለ ይሓስብ\" ትብል። ግደ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ጸወታ ኣሸንዳ ደቂ ተባዕትዮ፡ ዋላ'ውን ከበሮ ሒዞም እንተዘይተልሃዩ፡ ሓጺር ገምባለ ምስ ሽራኽ ስኣኒ ወይ ኮንጎ ረጊጾም፣ ሚዶ ኣብ ጎተና ርእሶም ሰዅዖም፣ በትሪ ጨቢጦም ደድሕሪ እተን ቆልዑ ኣሸንዳ ክዞሩ ይውዕሉ። ተመልከትቲ ወይ ዕዱማት ኮይኖም፡ መብጽዐአን ክበጽሐለን ውህብቶ ንዝልምንኦም ስልማት ብምሃብ፡ ጸወትአን የድምቑ። \"ከም ባህሊ፡ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ሓንቲ ጉጅለ ሓፍቶም ክትህሉ ስለ እትኽእል፡ ጥቕዓት ከይበጽሓ ንምሕላው ደድሕሪአን ብምኻድ ዝግለጽ ተራ ኣለዎም\" ትብል ሰናይት። ርኢይቶኣ ዝካፈል ኣቶ ኣለማየሁ ብወገኑ፡ ወዲ ተባዕታይ፡ ነቲ ነጻነተን ተቐቢሉ ስርሐን ጽባቕአን ብምንኣድ፡ ኣካል እቲ በዓል ከም ዝኸውን ብምግላጽ፡ ብፍላይ እቶም ኣናኣሽቱ ዝበሃሉ ካብ ከልብን ካልኦት ሓደጋታትን ኣብ ምሕላው ዓብዪ እጃም ከበርክቱ ኢኻ ትዕዘብ ኢሉ። \"ኣብዚ ግዘ፡ እቲ ዝደለይኦ ውህብቶ እንተዘይተዋሂበን ንዕኦም ክግስጹ ዝኽእሉ ደርፍታት ይደርፋ እየን፤ እቶም ደቂ ተባዕትዮ እንተተጸረፉ'ውን ኣይምልሱለንን። እዚ ግዘ ፍሉይ ነጻነት ሂቡወን እቲ ማሕበረሰብ'ውን ከም ዝደገፈን የመላኽት\" ትብል መምህር ሰናይት። ካብዚ ብምብጋስ፡ ኩል ግዘ ደቂ ተባዕትዮ ፍቓድን ነጻነትን ዝቕበልሉ ባይታ እንተመጺኡ፡ እቲ ዘሎ ጾታዊ ኣፈላላይ ክጸብብ ይገብር'ዩ ዝብል እምነት ኣለዋ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትካል ባህሊ፣ ትምህርትን ሳይንስን [ዩኔስኮ] ንምምዝጋብ ዝስርሑ ስራሕቲ ኣለው። \"ኣብዚ በዓል ደቂ ኣንስትዮ ሙሉእ ንሙሉእ ባህላዊ መጋየጽታት ስለ ዝጥቀማ ባዕሉ ሓድጊ'ዩ\" እትብል ኣርቲስት ፍርያት የማነ፡ \"ዝተፈላለየ ሳዕስዒት፣ ደርፍን ባህልን ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ምልላይ ምኽኣል ዓብዪ ነገር'ዩ\" ኢላ። እንተኾነ፡ ካብ ባህሪ ኣከባብራ እቲ በዓል ብምብጋስ፤ ብፍሉይ ኣብዚ ቀረባ ግዘ መለመኒ ቅርሺ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ ዝብል ስክፍታ ዝፈጥረሎም ሰባት ኣለው። ኣሸንዳ፡ ናብ ዘላቒ ማሕበራዊ-ቑጠባዊ ረብሓ ንምሽራፍ፡ ካብቲ ትውፊታቱ ከይወጽአ ባህላውን ሃይማኖታውን ክብርታቱ ብኣግባቡ ዝንጸባረቐሉ ክኸውን ከም ዘለዎ ድማ ይላበዩ። እዚ ጽሑፍ፡ ፈለማ ብ 21 ነሓሰ 2019 ዝተሓተመ ዛንታ እዩ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-62622598"} {"headline":"ብኣጋጣሚ ዝተጀመረ ውዲት ኢሉምናቲ","content":"እዚ ዛንታ'ዚ ብኸመይ ከም ዝተጀመረ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘለዉ ዛንታታት ሓሶት ብኸመይ ከም ዝተዘርግሑን ንስነ-ልቦናን ምስጢርን እቶም ክቱር ደገፍቶም ዝገልጽ እዩ። ንክልሰ-ሓሳባት ውዲት ከም ዝዀነ ዝኣምን ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳብ እዩ። ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝርከብ ኵሉ ውዲታት ጥምረት ዝዀኑ ኢሉምናቲ፡ ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት ንኽምስርቱ ብሕቡእ ዝንቀሳቐሱን ንጕዳይ ዓለም ዝቈጻጸሩ ልዕለ-ጐይቶት ከም ዝኾኑ ተገይሩ እዩ ዝሕሰብ። እዚ ዅሉ ዘይእመን ፍርሒ ግን፡ ኣብ 1960ታት ብዝወጸት ልቢ ወለድ ዝጀመረ እዩ። እዚ ብዛዕባ እቲ እነንብቦን እንሰምዖን ንኸንኣምን ዘለና ድልውነት እንታይ ይነግረና? እቲ ጽውጽዋይ ኢሉምናቲ'ኸ ብዛዕባ’ቲ እቶም ሕጂ’ውን ዝጸልዉና ዜናታትን ዛንታታትን ሓሶት እንታይ ከቃልዕ ይኽእል? መብዛሕትኦም ሰባት ታሪኽ ናይቲ ምስጢራዊ ማሕበር ክፈልጡ ክፍትኑ እንከለዉ፡ ንርእሶም ኣብቲ ኣብ ጀርመን ዝነበረ ዘመነ ኣብርሆት ስርዓት ኢሉምናቲ ይረኽብዎ። ኢሉምናቲ፡ ኣብ 1776 ጽልዋ ሃይማኖትን ኣድልዎ ፈጸምቲን ውልቀሰባት ንምቅዋም ምሁራት ብብሕቲ ዝተጠርነፉሉ ምስጢራዊ ማሕበር እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ከም ፍሪማሶናውያን ዝኣመሰሉ ሓያሎ ፍሉጣት ገስገስቲ ሰባት ዘጠቓለለ ነይሩ። ይዅን እምበር ብዓቃባውያንን ክርስትያንን ነቐፍቲ ካብ ሕጊ ወጻኢ ከም ዝዀኑ ምስተገብሩ፡ ህላወ እቲ ጕጅለ ሃሲሱ። እዚ ግን ክሳብ 1960ታት ጥራይ እዩ ነይሩ። ሎሚ ንሰምዖ ዘለና ኢሉምናቲ ግን ከምቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ኢሉምናቲ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ካብቲ ንቡር ባህሊ ብዝፍለ፡ ከም ኤልኤስዲ ኣብ ዝበሃል ዕጸ ፋርስን ኣብ ምብራቓዊ ፍልስፍናን ዝነበረ ተገዳስነት፡ ንኢሉምናቲ ሓድሽን ፍጹም መርትዖ ዘይብሉን ዘመናዊ ዳግም ውልደት ዝሃበ እዩ። ‘ፕሪንሲፕያ ዲስኮርዲያ’ እትበሃል ንእሽቶ መጽሓፍ ኣብ ዝተሓትመትሉ እዋን፡ ካብቲ ንቡር ባህሊ ዝፍለዩ ሰባት ኣብ 1967 ‘ሳመር ኦፍ ላቭ’ ዝበሃል ማሕበራዊ ክስተት ምስ ኣካየዱ ተጀሚሩ። እታ መጽሓፍ፡ ብሓጺሩ፡ ኣንበብቲ ኤሪስ ዝበሃል ኣምላኽ ህውከት ንኸምልኹ ብዓመጸኛታት ዝተፈጥረት ‘ዲስኮርዲያኒዝም’ ናይ ዝበሃል እምነት ተምሳሌት እያ ነይራ። ‘ዲስኮርዲያኒዝም’፡ ሲቪላዊ ዘይተማእዛዝነት፡ ግብራዊ ዋዛታትን ምትላልን ንምስዓብ፡ ሰባት ዝተኣከቡሉ ዝበሃል ምንቅስቓስ እዩ ነይሩ። እቲ ጽሑፍ ንባዕሉ ካብ ንቡር ባህሊ ብዝፍለ ፍልጠት ንላዕሊ ዝዀነ ነገር የብሉን። እንተዀነ ሓደ ካብቲ መርገጺታት እምነት፡ ዕሱብ ንጥፈታት ማሕበራዊ ለውጢ ከምጽእን ውልቀሰባት ንመዐቀኒታት ክውንነት ኣብ ሕቶ ከእትዉ ከገድዶምን ከም ዝኽእል ሮበርት ኣንቶን ዊልሰን ብዝበሃል ጸሓፊ እዩ ነፍሲ ዘሪኡ። ብራምዌል ከም ዝብሎ፡ ዊልሰንን ሓደ ካብ ጸሓፍቲ ፕሪንሲፒያ ዲስኮርድያ ዝዀነ ኬሪ ቶርንሊን፡ “ዓለም ኣዝያ ምልካዊት፡ ኣዝያ ስጥምቲ፡ ኣዝያ ዕጽውቲ፡ ኣዝያ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከም ዘላ ወሲኖም።\" ነገራት ንምንቕናቕ ናብ ሕብረተሰብ ህውከት ክመልሱ ደልዮም። “እዚ ዝግበረሉ መንገዲ ድማ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ምዝርጋሕ እዩ ነይሩ። ብዅሎም መገዲታት ኣቢልካ ግጉይ ሓበሬታ ምዝርጋሕ፡ ብመገዲ ጸረ ባህሊን ቀንዲ መራኸቢ ብዙሃንን፡ ብዝዀነ ይዅን መገዲ። ከምኡ’ውን ኣብ መጀመርታ ብዛዕባ ኢሉሚናቲ ዛንታታት ብምንጋር ከምኡ ክገብሩ ወሲኖም።” ኣብቲ እዋን’ቲ ዊልሰን ኣብታ ናይ ደቂ ተባዕትዮ መጽሔት ፕለይቦይ ይሰርሕ ነይሩ። ንሱን ቶርንሊን ብዛዕባ እዚ ኢሉሚናቲ ዝበሃል ምስጢራዊ ትካል ዝዛረቡ ካብ ኣንበብቲ ዝመጽኡ ዘምስሎም ደብዳበታት ሓሶት ክሰዱ ጀሚሮም። ድሕሪኡ ነቲ ኣቐዲሞም ዝጸሓፍዎ ደብዳበታት ዝቃወም ተወሳኺ ደብዳበታት ይሰዱ ነይሮም። ህውከት ጽውጽዋይ ኢሉሚናቲ ብሓቂ ርሑቕን ሰፊሕን ተጓዒዙ። ዊልሰንን ካልእ ጸሓፊ ፕለይቦይን ‘ዘ ኢሉሚናተስ’ ዝብል መጻሕፍቲ ጽሒፎም! ከም ንጆን ኤፍ ኬነዲ መን ከም ዝቐተሎ ዝኣመሰሉ ንናይ ዘመንና ‘ምሽፋናት’ን ንኢሉሚናቲ ዝምልከት ሰለስተ ክፋል መጻሕፍቲ እየን። እተን መጻሕፍቲ ኣዝዩ ብዘገርም ኣምልኾ ዓወት ኰይነን ኣብ ሊቨርፑል ተዋስኦ መድረኽ ተሰሪሑለን እዩ። ብሪጣንያዊ ኤሌክትሮኒካዊ ባንድ The KLF’ውን ንርእሶም ደድሕሪ እቲ ኣብ ዊልሰን ስለስተ ኽፍሊ ዘሎ ናብ ኢሉምናቲ ዝኣተወ ባንድ ዲስኮርድያንስ፡ The Justified Ancients of Mu Mu ኢሎም ይጽውዑ ነይሮም። ሎሚ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ብሰፊሑ ዝጽዋዕ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባት’ዩ። ከም በዓል ጄይ-ዚን ቢዮንሰን ዝኣመሰሉ ህቡባት ደረፍቲ ከይተረፉ፡ ኣብ ኮንሰርታት ኢዶም ከምቲ ስሉስ ኩርናዕ ምልክት ኢሉሚናቲ ኣልዒሎም፡ ናይቲ ጕጅለ ምሳሌነት ኣርእዮም እዮም። እቲ ኣብ 60ታት ዝነበረ ባህሊ ንእሽቶ ሕትመታት ሕጂ ካብቲ ሎሚ ዓለምለኻዊ ዝዀነ፡ ልዕሊ ዓቐን ዝተኣሳሰር ኢንተርነት ኣዝዩ ዝረሓቐ ይመስል። ብዘይካ ሓደ ድማ እቲ ኢንተርነት ኣብ ከም ኣብ 4chanን Redditን ዝኣመሰሉ መርበባት ዝተዘርግሐ ወረታት ኢሉሚናቲ ነቲ ሓሳብ ዝና ሂብዎ እዩ። ብውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባትን ብዓቢኡ ድማ ብኣመንቲ ውዲት ክልሰ-ሓሳብ ኣብ ዝመልአት ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። ኣብ 2015፡ ፖለቲካውያን ተመራመርቲ፡ ኣስታት ፍርቂ ካብ ሓፈሻዊ ህዝቢ ኣሜሪካ እንተወሓደ ሓደ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳብ ከም ዝድግፉ ዘመልክት ውጽኢት ረኺቦም እዮም። እዚኦም፡ 'ኦባማ ኣብ ሃዋይ ኣይተወለደን' ዝብሉ ዝተፈላለዩ ውዲታት ወይ ድማ '9\/11 ብኣገልግሎት ስለያ ኣሜሪካ ተፈጺሙ' ዝኣመሰሉ ውዲት ክልሰ-ሓሳብ ይርከብዎም። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣንግልያ ራስኪን ፕሮፌሰር ማሕበራዊ ስነ-ልቦና ቪረን ስዋሚ፡ “ሓደ ፕሮፋይል ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳብ የለን” ይብል። “ሰባት ኣብዞም ክልሰ-ሓሳባት ስለምንታይ ከም ዝኣምኑ ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ኣሎ፡ ግድን ድማ ንሓድሕዶም ዝጻረሩ ኣይኮኑን። ስለዚ እቲ ዝቐለለ መልክዕ መግለጺ፡ ኣብ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባት ዝኣምኑ ሰባት ብገለ ዓይነት ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማም ይሳቐዩ ከምዘለዉ’ዩ።” ካልእ ተመራመርቲ ዝበጽሕዎ መደምደምታ፡ እዞም ክልሰ-ሓሳባት እዚኣቶም፡ ንርእሰ-ክብሪ ዘደናግሩ ወይ ዘስግኡ ፍጻመታት ንምርዳእ ርትዓዊ መገዲ ክህቡ ከም ዝኽእሉ እዩ። ኣብ 2016 መጽናዕታዊ ጽሑፍ ዘሕተመ ስዋሚ ወሲኹ፡ “ኣዝዩ ቀሊል መግለጺ ይህቡኻ” ይብል። ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባት ዝኣመኑ ካብ ዘይኣመኑ ንላዕሊ ብውጥረት ዝፈጥር ተመክሮታት ክሳቐዩ ተኽእሎ ከምዘለዎም ይሕብር። ዝሓለፈ ዓመት ካልኦት ስነ-ኣእምሮኣውያን ክኢላታት’ውን፡ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎም ሰባት ኣብ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባት ናይ ምእማን ተኽእሎኦም ትሑት ምዃኑ ኣረጋጊጾም እዮም። ብፍላይ ኣብ ደቡብ ኤስያ፡ ክልሰ-ሓሳባት ውዲት መንግስቲ ንህዝቢ ዝቈጻጸረሉ ኣገባብ ኰይኑ ጸኒሑ’ዩ። ኣብ ምዕራባውያን፡ ብተለምዶ ብኣንጻሩ’ዩ ውክልና ወይ ስልጣን ዝጎደሎም ሰባት እዮም ክጥቀሙሉ ጸኒሖም። ስልጣን ስለ ዝጎድሎም ድማ ከምቲ ምስ 9\/11 ዝተሓሓዝ ንመንግስቲ ዝፈታተኑ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባት ክፈጥሩ ክኢሎም። ሰባት ስልጣን እንተጐዲልዎም፡ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባት ዘርኢ ማሕበራዊ ተቓውሞ ክዘርኡን ሰባት ሕቶታት ክሓቱ ክገብሩን ይኽእሉ። “እቲ ሕጂ ዘሎ ዓቢ ለውጢ፡ ፖለቲከኛታት ብፍላይ ዶናልድ ትራምፕ፡ ደገፍ ንምርካብ ሽርሕታት ክጥቀሙ ምጅማሮም’ዩ።” መበል 45 ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዕሉል ወዲታዊ እዩ ነይሩ፣ ፕረዚደንት ኦባማ ብሓቂ ኣብ ሃዋይ ከምዘይተወልደ ብቐጻሊ ንማዕከናት ዜና ይዛረብ ነይሩ። ብተወሳኺ ድሕሪ ምርጫ 2016 ዝተፈላለያ ግዝኣታት ኣሜሪካ ንመረጽቲ ምትላል ነይሩ ክብል ኸሲሱ። ጎስጓስ ዘካይድ ጕጅለኡ ድማ ‘ፒዛጌት’ ከምኡ’ውን ‘ቦውሊን ግሪን ማሳክር’ ዝኣመሰሉ ዝተፈብረኹ ዛንታታት ዘርጊሖም እዮም። እዚ ለውጢ ኣጠቓቕማ ክልሰ-ሓሳብ ውዲት ኣብ ፖለቲካ ንነዊሕ እዋን ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል’ዶ? ስዋሚ፡ \"ሰባት ኣብ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባት እንተኣሚኖም ካብ ቀንዲ ፖለቲካ ክወጹ ይኽእሉ እዮም። ምስ ወሰናስን ፖለቲካ ናይ ምጽማድ ተኽእሎኦም ኣዝዩ ዝለዓለ’ዩ። ብተወሳኺ’ውን ምስ ዓሌታዊ፡ ጽልኢ ወጻእተኛታትን ኣኽራሪ ኣረኣእያታት ናይ ምጽማድ ተኽእሎኦም'ውን ኣዝዩ ልዑል’ዩ።” ድሕሪት ዝተረፉን ሓይሊ ዘይብሎምን ኰይኑ ዝስምዖም ሰባት ዘይትንከፉ፣ ምስጢራዊ ፈላጣት ዝብል ሓሳብ ብቐሊሉ ክቕበልዎ ይኽእሉ። ትራምፕ ነዞም ሰባት ብፍላይ ድማ ነቲ ኣብ ሓደ እዋን ሓያል ዝነበረ ኢንዱስትርያዊ መልክዕ ኣሜሪካ ክውክል ከምዝደሊ ገሊጹ ነይሩ። ግን ኣብ ኣዳራሻት ስልጣን ብኸምኦም ዝኣመሰለ ዘይፖለቲከኛ ዝሓሸ ውክልና ዘለዎ ኰይኑ ኣብ ክንዲ ዝስምዖም ገለ ኣብ ኣሜሪካውያን ኣብ ከም በዓል ኢሉሚናቲ ዝኣመሰሉ ዛንታታት ክኣምኑ ዝያዳ ተኽእሎ ዘለዎም ይመስሉ። “ዊልሰን ሎሚ ብህይወት እንተዝነብር፡ ብኸፊል ምተሓጐሰ፡ ብኸፊል ድማ ምሰንበደ” ይብል ዴቪድ ብራምዌል። “ኣብ 60ታት ባህሊ ኣዝዩ ስጡም እዩ ነይሩ። ኣብዚ እዋን እዚ ነገራት ልሕሉሕ ኮይኑ ይስምዓካ። “ምናልባት ሰባት ኣንጻር ‘ናይ ሓሶት ዜና’ን ፕሮፖጋንዳን እንተተቓሊሶም ዝያዳ ምርግጋእ ክመጽእ እዩ። ማሕበራዊ መራኸቢታት ብኸመይ ክንኣምኖም እንደሊ ሓሳባት ይምግቡና ከምዘለዉ ክንርዳእ ጀሚርና ኣለና።” ኣብ መንጎ መድረኻት ኢንተርነት፡ ኣብ ህዝባዊ ባህሊ ምምስጋንን ብሓፈሻኡ ዘይተዓገተ ዓቕሚ ወዲ ሰብን፡ ሓቂ ዘናድዩ መርመርቲ ሓቅን ነቲ ጽውጽዋይ ኢሉሚናቲ ንሓዋሩ ክነጽግዎ ይኽእሉ’ዮም፡” ይብል።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c0jw4g48kg4o"} {"headline":"ኣፍሪቃውያን መራሕቲ፡ ንምንታይ'ዩ ብሰላም ዘይቅበሩ?","content":"ብኣፍሪቃውያን ጋዜጠኛታት ተጻሒፎም ኣብ ቢቢሲ ካብ ዝቐርቡ ተኸታተልቲ ጽሑፋት፡ ጋናዊት ኤልሳቤጥ፡ ኣፍሪቃውያን መራሕቲ ድሕሪ ሞቶም ኣስከሬኖም ዝዓርፈሉ ቦታ ዝምልከት ብዛዕባ ዘጋጥሙ ምስሕሓባት ዝጸሓፈቶ እዩ፡፡ እዚ ዘቕርቦ ዘለኹ ጽሑፍ፡ ዋላኳ ንዅሉ ዝምልከት ክልስ ሓሳብ እንተዘይኰነ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ኔርካ እንተሞይትካ ኣበይ ትቕበር ዝብል ዘሰሓሕብ ዛዕባ እዩ ዝመስለኒ፡፡ እቲ ብ 8 ሓምለ ኣብ ስጳኛ ዝሞተ ፕረዚደንት ነበር ኣንጎላ ጆሴ ኤድዋርዶ ዶስ ሳንቶስ፡ ኣበይ ይቀበር ኣብ ዝብል ዝነበረ ወጠጥ ክከታተሎ ጸኒሐ፡፡ መራሒ እታ ሃገር ጃዎ ሎሬንኮን ራብዓይቲ ሰበይቲ ፕረዚደንት ነበር ሳንቶስን፡ ኣስከሬኑ ናብ ዓዱ ተመሊሱ ሃገራዊ ስነ ስርዓት ቀብሪ ክፍጸመሉን ኣብ መቕበሪ ስፍራኡ ክዓርፍን ደልዮም ነይሮም፡፡ ጓሉ ቺዜ ዶሰ ሳንቶስ ግን ምስጢራውን፡ ደቁ ከምድላዮም ክርእይዎ ኣብ ዝኽእልሉ ስቱር ከባቢ ስጳኛ ክኸውን ደልያ፡፡ ንሳ ናይቶም ኣብ ኣንጎላ ክሲ ብልሽውና ዝቐርበሎምን እንተተመሊሶም ክእሰሩ ዝኽእሉን ኣሕዋታ ድጋፍ ከምዘለዋ ትገልጽ፡፡ ሓደ ካብ ደቂ እቲ መራሒ ነበር'ውን መንግስቲ ኣንጎላ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣቦኡ ናይ ምፍጻም ሕገ -መንግስታዊ ሓላፍነት ከምዘይብሉን፡ ክውስን ዘለዎ እቲ ቤተሰብ ምዃኑ ይምጕት፡፡ ሃገራት ኣብ ኣስከሬን መራሒአን ነበር ዘለወን መሰል ኣመልኪቱ ዝለዓል ምጕት ኣብ ኵሉ ዘጋጥም እዩ ዝመስል፡፡ ን 37 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝነበረን፡ ኣብ 2019 ድሕሪ ምእላዩ፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ዝሞተን መራሒ ዚምባብወ ነበር ሮበርት ሙጋበ እውን ተመሳሳሊ ተመኵሮ እዩ ዘለዎ፡፡ ኵሉ ሰብ ሙጋበ ኣብቲ ኣብ ሃራረ ዝርከብ መቓብር ሓርበኛታት ዝቕበር መሲልዎ ነይሩ፡፡ እቲ መቓብር ባዕሉ ዘስረሖን ቀዳመይቲ ሰበይቱ ሳሊ ሓዊሱ፡ ብዙሓት ናይ ናጽነት መቓልስቱ ዝተቐብሩሉን እዩ፡፡ እዚ ሕጂ ፕረዚደንት ዘሎ ምናንጋግዋ ንሙጋበ ምዕሩግ መቓብር ክሃንጸሉ ጀሚሩ'ኳ እንተነበረ፡ ስድራቤቱ ግን ብጀነራላቱ ተኻሒዱ ካብ ስልጣኑ ምስተሰጎገ ሕጕሳት ኣይነበሩን፡፡ ስድራ ቤቱ ኣስከሬኑ ነዕኦም ከም ዝምልከት ክገልጹ እንከለው፡ ድሕሪ ነዊሕ ምጕት ተዓዊቶም፤ ጅግና ቃልሲ ናጽነት ዚምባብወ ሮበርት ሙጋበ፡ ሰበስልጣን ኣብ ዘይተረኸቡሉ ኣብ ዝተወለደላ ቁሸት ተቐቢሩ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ፈላማይ መራሒ ዛምብያ ዝነበረ ኬነት ካውንዳ እውን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ሞተ፡ ኣስከሬኑ ብሰላም ዝዓርፈሉ ቦታ ክረክብ ኣይከኣለን ነይሩ፡፡ ስድራኡ ከምዝብልዎ፡ ካውንዳ ኣብ ጐድኒ ሰበይቱ እምበር ኣብቲ መንግስቲ ዘዳለዎ መቓብር ክዓርፍ ድልየት ኣይነበሮን፡፡ እንተዀነ ስድራቤቱ ግድን ኢሎም ስለዘይተኸራኸሩ፡ እቲ ብ‘‘ኬኬ’’ ዝብል ናይ ፍትወት መጸውዒ ዝፍለጥ መራሒ፡ ኣብ ሉሳካ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ሜሞርያል ፓርክ ተቐቢሩ፡፡ ብዛዕባ እዞም ዕረፍቲ ዝሰኣኑ ኣስከሬናት ዝለዓል ክርክር ሓድሽ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ጋና ዘለና እውን ዝለመድናዮ እዩ፡፡ ፈላማይ መራሒና ክዋመ ንክሩማ፡ ኣብ ቡካሬስት ሮማንያ ኣብ ሕክምና እዩ ሞይቱ፡፡ መጀመርታ ኣብታ ብስደት ዝነብረላ ዝነበረ ጊኒ እዩ ተቐቢሩ፤ ደሓር ግን ኣስከሬኑ ናብ ጋና መጺኡ፡፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣክራ መንግስታዊ ስነስርዓት ቀብሪ ዝተኻየደሉ ኰይኑ፡ ኣብ ዝተወለደላ ቁሸት ንክሮፉል ተቐቢሩ፡፡ ድሕሪ ዓመታት ኣብ ኣክራ ሃገራዊ መቓብር ምስተሰርሐ ድማ ናብኡ ክመጽእ ተገይሩ፡፡ ሓሓሊፉ ኣብ ቁሸት ንክሮፉል ዝርከቡ  ስድራቤቱ ኣስከሬኑ ክምለስ ይሓቱ እዮም፡፡ ኣብ 2012 መራሒና ዝነበረ ጆን ኢቫንስ ኣታ-ሚልስ ኣብ ስራሕ እናከሎ ምስሞተ፡ መዕረፊ ቦታ ምርካብ ቀሊል ኣይነበረን፡፡ ገለ ኣባላት ስድራኡ ኣብ ዝተወለደሉ ቁሸት ክቕበር ደልዮም ነይሮም፡፡ መጀመርታ መንግስቲ ዘዳለዎ መቓብር እውን ምቹው ኣይኮነን ተባሂሉ ተገዲፉ፡፡ መወዳእታ ኣብ ፓርክ ክዓርፍ ተገይሩ፡፡ ኵሉ ሰብ ድሕሪ እዚ ዝሞቱ መራሕቲ ኩሎም ኣብቲ ፓርክ ዝዓርፉ መሲልዎ ነይሩ፡፡ ካልእ ፕረዚደንት ሃገርና ዝነበረ ጄሪ ራውሊን ድማ ዓሪፉ፡፡ ሽዑ ናብቲ ፕረዚደንት ኣታ-ሚልስ ዝተቐበረሉ ቦታ ኣይተወሰደን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ዝተወለደሉ ገጠር ዝነብሩ ስድራኡ መንግስቲ ነቲ ኣስከሬን መንጢሉና  ክብሉ ከሲሶም፡፡ ኣብ መወዳእታ፡ ብምሉእ ወታሃደራዊ ክብሪ ኣብ መቓብር ወተሃራት ክቕበር ተገይሩ፡፡ ፕረዚደንት ኣታ-ሚልስ ካብ ዝዓርፍ ዝሓለፈ ሰሙን 10 ዓመቱ መሊኡ ኣሎ፡፡ ክሳብ ሎሚ ግን ብዛዕባ እቲ መቓብር፡ መን ይሓልዎን እንታይ ይጸሓፈሉን ምጕት'ዩ ዘሎ፡፡ ክሳብ ሎሚ ኣስከሬኑ ካብቲ መንግስታዊ ፓርክ ወጺኡ ኣብ ቁሸቱ ይቀበር ዝብሉ ኣባላት ስድራኡ እውን ኣለዉ፡፡ ስለዚ፡ ካብቶም ኣብ ኣፍሪቃ መራሒ ምዃን ዘለዎ ሓደጋታት እቲ ሓደ፡ ምስ ሞትካ ኣስከሬንካ ዝዓርፈሉ ቁራስ መሬት ምስኣን እዩ ኢለ እድምድም፡፡","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/clw4zed5vxqo"} {"headline":"ጫድ ሕቶ መርዓ ንዝነጽጕ ክትቀጽዕ እያ","content":"ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ጫድ ኣብ እትርከብ ክልል ማንጋልመ፡ ሕቶ መርዓ ዝነጽጉ ሰባት መቕጻዕቲ ገንዘብ ክጽበዮም እዩ፡፡ እቲ መቕጻዕቲ ‘ኣምቺሊኒ’ ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ፡፡ ላዕለዋይ እስላማዊ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል፡ እቲ መቕጻዕቲ ንደቂ ኣንስትዮ ካብ 23 ክሳብ 39 ዶላር ከምኡ'ውን ንደቂ ተባዕትዮ 15 ዶላር ክኸውን ወሲኑ ኣሎ፡፡ ሊግ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ጫድ ግን ‘ስቶፕኣምቺሊኒ’ ዝብል ሃሽታግ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብምክያድ ንውሳነ እቲ ቤት ምኽሪ ተቓዊሙ፡፡ እቲ ውሳነ ነቲ ሕጊ እታ ሃገር ዝህቦ ሓዳር ንምምስራት ፍቓደኛ ናይ ምዃን መሰል ዝጥሕስ እዩ ይብል፡፡ እስላማዊ ቤት ምኽሪ እታ ክልል፡ እቲ ዘውጽኦ ሕጊ ኣብ ቁርኣን ዝተመስረተ ከምዝዀነ እዩ ዝገልጽ፡፡ ኣብ ጫድ ብዘይድልየት ዝፍጸም መርዓ ልሙድ ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ እዋን ትሕቲ ዕድመ ደቂ ኣንስትዮ ግዳያት ይዀና፡፡ ዋላ'ኳ እታ ሃገር ኣብ 2015 ትሕቲ ዕድመ መርዓ ዝኽልክል ሕጊ እንተውጽአት፡ 60 ሚእታዊት ናይተን ካብ 20 ክሳብ 24 ዕድመ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ዕድሚአን ከይኣኸለ ዝተመርዓዋ ከምዝዀና ወግዓዊ ጸብጻባት እታ ሃገር ይሕብሩ፡፡","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/clw4z515801o"} {"headline":"ጡብ ኣጥቢኺ ብዝብል ካብ መሐንበሲ ጋብላ ዝተባረረት ኣደ","content":"ሓንቲ ኣደ ጡብ ኣጥቢኺ ብዝብል ካብቲ መሐንበሲ ጋብላ ክትባረር ስለዝተገብረት ከምዝተዋረደት ገለጻ። ሳራ ላፒን ኣብ ደንቢግሻየር፡ ብሪጣንያ፡ ስልጠና ምሕንባስ ወለድን ዕሸልን እናተሳተፈት እንከላ እያ ንወዲ ሓሙሽተ ወርሒ ወዳ ካሌል ጡብ ክተጥብው ጀሚራ። ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ምጥባው ሕጋዊ ክነሱ፡ እቲ ሰራሕተኛ ህይወት ኣድሕን ግን፡ ነታ ጓል 31 ዓመት ኣደ ካብቲ መሐንበሲ ክትወጽእ ሓቲትዋ። ሓለፍቲ ናይ እቲ መሐንበሲ ጋብላ ዝርከበሉ መዘናግዒ ማእከል ራይል፡ ነታ ኣደ ስለዘጕሃይዋ ይቕረታ ሓቲቶም እዮም። ሚስ ላፒን ወዳ ንመጀመርታ ግዘ ይሕንብስ ከምዝነበረ ትገልጽ። \"ካሌል ንመጀመርታ ግዚኡ ስለዝነበረ ተረቢሹ። ስለዝኾነ ድማ ከም ኣደ ጡብ ከጥብዎ ጀሚረ፡\" ትብል። ንኹሎም ሓሙሽተ ደቃ ኣብቲ መሐንበሲ ጋብላ ተጥብዎም ከምዝነበረትን ሽዑ “ሕጊ እዩ” ብዝብል ክተቋርጽ ክንገራ እንከሎ ከምዝሰንበደትን ሓቢራ። \"ከምኡ ዝብል ሕጊ የለን\" ብምባለ ከኣ ንወዳ ምጥባው ቀጺላ። \"እንደገና ኣፋጺዩ ምጥባው ክቕጽል እንተደልየ ካብቲ መሐንበሲ ክወጽእ ከምዘለኒ ነጊሩኒ፡\" ትብል። \"ህድእ ኢለ፡ 'ወደይ ክጠብው ስለዝጀመረ ኣየቋርጽን' ኢለ መሊሰሉ። ሽዑ ኩሉ ሰብ ክርእይ ጀሚሩ።\" ሚስ ላፒን ነቲ ምክትል ኣካያዲ ስራሕ ጥርዓን ኣቕሪባትሉ። ንሱ ድማ ምስ'ቶም ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ክትዘራረብ ከምዘለዋ ነጊርዋ። \"ኣዝዩ ውርደት ተሰሚዑኒ። ጡብ ብምጥባው ዝሕበንን ንሓሙሽተ ደቀይ ንኣስታት ዓሰርተ ዓመት ዘጥበኩን ኣደ እየ። \"ሓንቲ ንውሉዳ ተጥቡ ኣደ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ጠባይ ከጋጥማ ርእየ ኣእፈልጥን፡\" ኢላ። \"ገለ ሰባት ከም ዕርቃን ምውጻእ ክመስሎም ይኽእል እዩ፤ ወይ ብብሕቲ ወይ ድማ እንተ ወሓደ ብኮቦርታ ተሸፊንካ ወይ ኣብ መጥበዊ ኽፍሊ ተሓቢእኻ ክግበር ከምዘለዎ ዝሓስቡ ይህለዉ፡\" ትብል። \"ሓንቲ ኣደ ባህርያዊ ነገር ንምግባር ክትሕባእ ከም ዘለዋ ጌርካ ምሕሳብ ጌጋ እዩ። ከም ኣንስቲ መጠን ንህጻውንትና ኣብቲ እንደልዮ ቦታ ኽንምግቦም መሰል ኣለና፣ ከመይሲ ምንጪ ምግቢ ጥራይ ዘይኰነስ ምቾቶምን ድሕነቶምን እዩ።\" ወሲኻውን \"ወደይ ክምግብ ከለኹ ርእሰ ምትእምማን እኳ እንተ ነበረኒ፡ ኹሉ ሰብ ክርኢ ምስ ጀመረ ቍሩብ ሓፊረ።... ግና ሓዳስ ኣደ እንተትኾን ብሓቂ ከበሳጭዋን ጻዕራ ከበላሽዎን ይኽእል ነይሩ።\" ኣብ መሐንበሲ ጋብላ ጡብ ምጥባው ጥዕናዊ ሳዕቤናት ኣለዎ ንዝብል ሓሳብ ኣይትቕበሎን። ንማእከል ምዝንጋዕ ራይል ዘመሓድር 'ደንቢግሻየር ለይዠር' ግና ጡብ ምጥባው ከምዘበራትዕ ይገልጽ። \"ኣብ ትካልና ዝኾነ ይኹን ሰብ ጡብ ኸየትቡ ኣይንኽልክልን። እዚ ግን ኣብ ውሽጢ ማይሰ ስለዝኾነ እዩ።” ይብል ወሃቢ ቃል እቲ ትካል። \"ሓደ ዕሸል ኣብ መሐንበሲ ጋብላ ክጠቡ ይኽእል እዩ ኣይኽእልን ዝብሉ ስግኣት ጥዕና ዝምልከቱ ዝተዋቕዑ ሐሳባት ኣለዉ። ኣብቲ መሐንበሲ ንዓቐብ እንተኢልዎም ድማ፡ እቲ ጋብላ ኽዕጾ ይኽእል እዩ።\" ሰብ ሞያ ጥዕና ከምዘማኽሩን ኣድላዪ ለውጢ ከምዝገብሩን እውን ወሲኹ ገሊጹ። \"በዚ ምኽንያት ዝተፈጥረ በደል እንተሃልዩ ይቕረታ ንሓትት፡\" ኢሉ እቲ ወሃቢ ዋል።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ckdxpjgq0k9o"} {"headline":"መም ተኪኤ፡ ስነ ጽሑፍ ቋንቋ ቢለን ንምምዕባል ጻዕሪ ዝገብር ዘሎ ምሁር","content":"ኣብ ሃገረ ኖርወይ ንኣስታት 40 ዓመታት ዝነበረን ዝነብር ዘሎን፡ ብቋንቋ ብሌን ንቘልዑ ዝምህርን ስዋስዋዊ መሳርዕን ዛንታታት ጽውጽዋይን ዝሓቖፋ  \"ብሊና ድግም ሕያይቱዲ እንቍርቍራዲን፡ ብሊና ክታበትዲ ግብራ ጋቡኹዲን” ዝኣርኣስተን መጻሕፍቲ ዝጸሓፈ ኤርትራዊ መምህር ተኪኤ ዓልበኪት መን እዩ? ዕላል ምስ መምህር ተኪኤ ... ቋንቋ ቢለን ሓደ ካብተን ትሽዓተ ቋንቋታት ኤርትራ እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ብፍላይ ድሕሪ ናጻነት ኤርትራ፡ ኣብ ድያስፖራ ዝቕመጡ ተወለድቲ ቢለን፡ ቋንቍኦም ንምምዕባል ብውልቀሰብ ደረጃ ይዅን ብእኩብ፡ መጻሕፍቲ ብምጽሓፍ፡ ናይ ሓበረታ መርበባት  ኮነ ብቋንቋ ቢለን ዝመሓላለፍ ናይ ራድዮ መደባት ብምድላው ቋንቊኦምን ባህሎምን ክዕቅቡ ይጽዕሩ። መምህርቲ ተኪኤ’ውን ስነ ጽሑፍ ቋንቋ ቢለን ንምዕባል እጃሙ ዝገብረን ዘሎን ምሁር እዩ። ምስ ካልኦት ኣብ ስካንዲነቭያ ዝርከቡ ብጾቱ ዀይኑ ኣብ ዘቖሞ፡ ዓቢ ናይ ቢለን ወብሳይት (www.daberi.org)፡ ታሪኽን ባህልን ልምድን ናብራን ቋንቋን መንነትን ቢለን - ብደቂቕ ሰፊሩ ይርከብ። መምህር ተኪኤ ብ1949 ዓ.ም. ኣብ እንጪናቕ እትበሃል፡ ካብ ከረን ንምዕራብ ኣብ ንኡስ ወረዳ ሓጋዝ እትርከብ ቍሸት ተወሊዱ ዓበየ። መባእታዊ ትምህርቱ ብ1959 ኣብ ኣሸራ እትበሃል ዓዲ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ጀሚሩ። ካልኣይ ደረጃ ከኣ ብ1965  ኣብ ከረን ብምኻድ  ዛዚሙ። ብ1971  ከኣ  ኣብ ከረን ብኣመሪካዊ   ገባር  ሰናይ፡  ሚስተር ሂዩ ዳውኒ ዝተመስረተት ላልምባ  እትበሃል  ናይ ግሊ መባእታዊ ቤት ትምህርትን፡ መዕበያ ዘኽታማትን፡ ከም መምህርን፡ ሓለቃ ቤት ትምህርትን ኰይኑ ንሽውዓተ ዓመታት ኣገልጊሉ። መምህር ተኪኤ፡  ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበረ ናይ ነጻነት ቃልሲ ምስ ተሓኤ ብምስጢር ተወዲቡ የገልግል ነይሩ። ኣብ ብ1977 ብስደት ንኖርወይ ምስ ኣተወ እውን ኣባል ማሕበር መንእሰይ ኩይኑ ክሳብ ናጻነት ቀጺሉ። ኣብ 1978 ኣብ ኦስሎ ኣብ ዩኑቨርሲቲ ትምህርቲ ጀመረ።  ክሰርሕ ስለዝመረጸ ግን ክሳብ 2013 ንሰላሳን ኣርባዕተን ዓመታት ሰርሐ። ጥሮታ ምስ ኣተወ እውን እንተኾነ ብሰለስተ ቋንቋታት ኤርትራ ቢለን፡ ትግረን፡ ትግርኛን ከም ተርጓማይ እናሰርሐ ብቋንቋ ቢለን መጻሕፍቲ ጽሒፉ። መምህር ተኪኤ ኣብ ቋንቋታት  ብፍላይ ድማ ኣብ ቋንቋ ኣደ ዘለዎ ተገዳስነቱ ክለዓዓል ዝኸኣለ፣ ኣብ ሃገረ ኖርወይ ሓደ ናይ ወጻእተኛ መበቈል ዘለዎ ቈልዓ ቋንቋ ኣዲኡ ንክመሃር ዘተባብዕ መርሓ ስለዝነበረ፡ በዚ መሰረት’ውን ኣብ ከባቢ ኦስሎ ዘለዋ ዓድታት ኣብ ትርፊ ጊዚኡ ካብ 1984 ክሳብ 1986 ከም ናይ ትግርኛ መምህር ኰይኑ ንቘልዑ ፊደላት ትግርኛ ይምህር ነይሩ። ብዛዕባ ቋንቋ ቢለን ኣትኲሩ ክሰርሕ ዝኸኣለ ግን፡ በቲ ኣብ ምርምር ኩሻዊ ቋንቋታት ኤርትራ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበረ፡ ለዮ ራይኒሽ (1832-1919) ዝተባህለ ኦስትርያዊ ልሳንተኛ (ተመራማሪ ቋንቋ) ብቋንቋ ቢለንን ጀርመንን ኣብ መንጎ 1882-1887 እተጻሕፈ ኣርባዕተ መጻሕፍቲ ምዃኑ ይሕብር። ናይ ባዕሉ ምርምር ንኸካይድ ድማ ምትብባዕ ከም ዝረኸበ ይጠቅስ። መምህር ተኪኤ ብዛዕባ ቋንቋ ቢለን ብዝምልከት ልዕሊ’ቶም ዘካየዶም ምርምራት እተን ተሓቲመን ዝወጽኣ መጻሕፉቱ ሓንቲ \"ብሊና ክታበትዲ ግብራጋቡዅዲ - ናይ ቋንቋ ቢለን ጽሕፈትን ሰውስውን\" እያ። እታ ካልአይቲ ድማ  \"ብሊና ድግም ሕያይቱዲ እንቍርቍራዲ - ናይ ቢለን ጽውጽዋያትን፡ ሕንቅልቅሊተይን\" ዘርእስታ ንቈላዑ እትኸውን ኣገዳሲት መጽሓፍ ጽሒፉ።  ከም ወልዴሱስ ዓማር ዝኣመሰሉ ብጾቱ ከኣ ንሓዋሩ መዘከሪ ዝኾኖ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝገበረ ይምስክርሉ። ብሄረ ብሌን ታውቀን ታርቀን ዝበሃሉ 12 ነገድን ካልኦት ዓሌታት ኮይኖም  ኣብቲ ቀደም ዘመን ምድሪ ቦጎስ ወይ ሓልሓል-ቦጎስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ፣ ካብ ምብራቕ ንምዕራብ ካብ ዔላበርዕድ ክሳብ ዓደርደ፣ ካብ ሰሜን ንደቡብ ድማ ካብ ሓልሓል ክሳብ ኣሸራ ዝዝርጋሕ ኣብ ዝዓበየ ክፋል ናይ ኣውራጃ ሰንሒት ዝቕመጡ፣ ብመንነቶምን ባህሎምን ቋንቋኦምን ዝሕበኑ ህዝቢ’ዮም። እቶም ብቤት ታርቀ ዝፍለጡን፡ 12 ነገድን ካልኦትን ኣብ ከባቢ ከረን ዝርከብ ወረዳታት እዮም ዝነብሩ። ቤት ታውቀ ኸኣ ኣብ ከባቢ ሓል-ሓልን ምድሪ ጀንገረንን ይነብሩ። ቤት ታውቀ ተኸተልቲ ምስልምና ቤት ታርቀን ካልኦትን ሰዓብቲ ክልቲኡ ሃይማኖት ኮይኖም እቶም ዝበዝሑ ክርስትያን ሰዓብቲ  ካቶሊክ እዮም። ገለ ውሑዳት ተዋህዶን ከኒሻን’ውን ይርከቡዎም’ዮም። ህዝቢ ቢለን መብዛሕትኦም ኣብ ገጠራት ዝቕመጡ ክኾኑ እንከለው፡ ገሊኦም  ድማ ኣብ ማእከል ከተማ ከረን፣ ከም’ውን ኣብ ካልኦት ብሕጂ ዝምዕብላ ዘለዋ ናእሽቱ ከተማታት ከም ዔላበርዕድ፡ ሓጋዝ  ወዘተ ዝቕመጡ እዮም። ህዝቢ ቢለን ቍጽሮም ክንድዚ’ዩ ኢልካ ምግማት ኣሸጋሪ’ዩ፣ ፍሉጥ ዘተኣማምን ቈጸራ-ህዝቢ ስለ ዘይተኻየደ። ግናኸ ኣብ ገለ-ገለ ሰነዳት ዝሰፈሩ ኣሃዛት ኣለዉ፣ እዚ ኸኣ ህዝቢ ቢለን ካብ 150,000 ክሳብ 200,000 ከም ዝግመቱ ኣብ ዳበሪ ዳት ኦርግ (daberi.org) ዝበሃል ናይ ቋንቋ ቢለን ናይ ሓበረታ መርብብ ሰፊሩ ይርከብ። ምድሪ ቢለን ንሳሕልን ባርካን ከበሳን ዘራኽብ እስትራተጂካውን ማእከላይን ቦታ ብምዃኑ፡ ዝተፈላለዩ ነዚ ናይ ሕጂ ኤርትራ ቦታታት ክወሩ ዝመጹ ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ቢለን ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ከም ዝፈጸሙ ይዝንቶ። ንኣብነት ዉቤ ሃይለማርያም ካብ 1884 ክሳብ 1850 ንሽድሽተ ጊዜ ተመላሊሱ ንምድሪ ቦጎስ ከም ዝወረሮን፡ ብዙሓት ሰባት ከም እተቀተሉን፡ ጥሪት ከም እተዘምታን ይጥቀስ። መምህር ተኪኤ ካብ ሓረስቶት ስድራ ቤት ኣብ ገጠር ምስ ኣርባዕተ ኣሕዋትን ሓንቲ ሓብትን ተወሊዱ ዓብዩ። ኣብ ንእስነቱ ምድሪ ቢለን ብሕርሻን ጥሪትን ሃብታም ከምዝነበረ፡ ብፍላይ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ መታሕት ገንዘብ ከምጽእ ዝኽእል ፉል ይዝራእ ስለ ዝነበረ፡ ብዙሓት ደቂ ቢለን ከም ዝሃብተሙ ይጠቅስ። ኣብ ርእሲኡ’ውን ናይ’ቲ ሽዑ ኵነታት ክሊማ ደሓን ብምንባሩ ጎቦታት ዱር ከምዝነበረ፡ ጐላጕልን ሩባታትን’ውን ዝብላዕ ፍረ ብዘለዎ ኣእዋም  - ከም ጋባ፡ ሕሞር፡ ዝኣመሰሉ - ማዕሪጉ ከም ዝነበረን፡ ናይ ገጠር ህይወት ዝበሃግ ምንባሩን ይዝክር። መንእሰያት ቢለን ጻወታ ዝፈትዉ ብምዃኖም ክረምቲ ሓሊፉ ምህርቲ ምስ ኣተወ፡ ካብ ቀውዒ ክሳብ ኣየት ንዘሎ እዋን ብሰሓቕን ጻወታን የሕልፍዎ ከምዝነበሩ’ውን ይገልጽ። “እቲ መጓሰና ህይወትና’ዩ ነይሩ፣ ፉል ከኣ ንዘርእ ነርና። ገሊኦም ናብ ግራታውቶም ይወፍሩ፡ ገሊኦም ነናቶም ዋኒን ክገብሩ፡ ቆልዓ ናብ ቤት-ትምህርቲ ዝወፍረሉ፡ መንእሰይ ከኣ ብጓይላ ሂር ዝብለሉ፡ ድሓን ዘመን ድሓን ናብራ’ዩ ነይሩ ክብል እኽእል” ኢሉ ገለ መሳዅቲ ሕብረተሰብ ቢለን ይኸፍት። “እቲ ቅርጽን ኣሰራርዓን ገጠራትና ስሕው ዝበለ ዀይኑ ብናእሽቱ እንዳታት ቈይሙ ምስ ቀረባ ስድራቤት ኣብ ግራትና ገዛውቲ ሰሪሕና ብሓደ ንሰፍር ነበርና። “ማይ ንክንወርድ፡ ብጊዜ ክረምቲ ካብቲ ዝውሕዝ ማይ ኣብ ጥቓ ግራትና ኣብ ራህያና ማይ ንእክብ ኔርና፣ ሓጋይ ክኸውን ከሎ ግን ካብ ግራትና ዳርጋ ኣርባዕተ ኪሎሜትር ዝርሕቀቱ፡ ‘ደብር-ማንሹ’ ዝበሃል ቦታ እንዅዕቶም ዔላታት ስለ ዝነበሩ፡ መዓልታዊ ንመላለስ ነበርና ... ከየዕዘምዘምና እንሰርሖ ስራሕ ነበረ” ኢሉ እናሰሓቐ የዘንቱ። እቲ ዞባ ይምዕብል ከም ዝነበረ፡ ብቑዕ መጐዓዓዝያ ከም ዝነበረ - ካብ ኣስመራ ንዞባ ሰንሒት ባቡር ይዅን ለተሪና፡ ከምኡ’ውን ኣውቶቡሳት ክንቀሳቐሳ ይዝከሮ። ነቲ መጐዓዓዝያ ዘይኣትዎ ቦታ ኸኣ ብእግሮም ይኸድዎ ነበሩ። ብመዓልታዊ መናባብሮኦም ክገልጽ ከሎ “እኹል ጸባ ነይሩና - ኣጣልን ኣሓን ስለ ዝነበራና። ኣውራ ኸኣ ቅጫና ይዝከረኒ - ናይ ብልቱግ ይዅን ናይ ማሸላ - ሓድሓደ ጊዜ ኸኣ ሃንዛ እናበላዕና ኢና ዓቢና፣ ዋእ፡ ብዓቢኡ ኸኣ ንገዓትና ዘርክብ ኣይነበረን። ቀስ ኢሉ’ውን ጣይታ እናተለምደ ክኸይድ ይዝከረኒ” ይብል መም ተኪኤ። “እንተዀነ ግን፡ እቲ ሽዑ ዝተኸሰተ ምንቅስቓስ ናጽነት እናሓየለ ይኸይድ ስለ ዝነበረ፡ ካብ ባርካ ናባና ገጾም ዝንቀሳቐሱ ተጋደልቲ ነይሮም’ዮም፣ ምስኡ ኸኣ ምንቅስቓስ ወትሃደራት ኢትዮጵያ ክብ ክብል ይዝከረኒ” ኢሉ ሃዲኡ ነቲ ወትሃደራት ኢትዮጵያ ዘካይድዎ ዝነበሩ ጨካን ዘመተታት ይጽብጽብ። ቅድሚ ፈዴረሽን ኣብ ኣውራጃ ሰንሒት ኣብ ዓድታት ሓሊብመንተል፡ ብሪከንትያ፡ ኣሸራ ሰለስተ ናይ ገጠር ኣብያተ-ትምህርቲ ነይረን። ተዛማዲ ሰላም ኣብ ዝኾነሉ ድሕሪ ካልኣይ ዉግእ ዓለም ስለ ዝተወለደን ንክመሃር ዕድል ስለዝረኸበን ሕጉስ ምንባሩ ይገልጽ። “እቲ ቤት ትምህርቲ ርሑቕ እኳ እንተነበረ ኵላህና ደቂ’ቲ ጐደቦ ተኣኻኺብና ማዕረ ስሳ\/ሰብዓ ቈልዑ ኴንና ንኣሸራ ክንወፍር ካብ ሓሳበይ ተፈልዩኒ ኣይፈልጥን። ክልተ ንኣሽቱ ሳንጣታት - ሓደ ንጥራዛውትና እቲ ሓደ ኸኣ ንምሳሕና ዝኸውን ቅጫ ተዀልኲልና - እናተጻወትና ንነዊሕ መንገዲ ብእግርና ክንምርሽ እቲ ርሕቀት ኣይፍለጠናን ነበረ ... ምስ ተፈደስና ኸኣ ንዓድና ክንምለስ ብዙሕ ድኻም’ዩ ነይሩ... ብሓቂ ጥዑም ጊዜ ኢና ኣሕሊፍና” እናበለ ብምድንፋቕ ይዝክሮ። ናይ ቋንቋ ሽግር ግን ነይሩዎም ። ሽዑ እዩ ትግርኛ ዀነ ኣምሓርኛ ከምኡ እውን እንግሊዝ ተማሂሩ። ኣብ መባእታ ብትግርኛዩ ዝመሃር ነይሩ። ክጽግሞም እንከሎ መምህሮም ቋንቋ ቢለን ሕውስ እናበለ የረድኦም።  ሓሙሻይ\/ሻድሻይ ክፍሊ ምስ በጽሑ ግን ነታ ትግርኛ ደርጐስጐስ እናበሉ ፈሊጦማ። ስዋስው እውን ተማሂሮም። “መባእታ ትምህርተይ ወዲኣ ናብ ከረን ዝገዓዝኩሉ እዋን - ኣብ መፋርቕ ስሳታትን ክኒኡን ማለት’ዩ - ሰብ ካብ መነባበርኡ ክፈናቐል፡ ዓድታት ክነድድ፡  ኣብ ምድረ-መታሕት ጭካኔ ዝገነነሉ እዋን ስለ ዝነበረ ሕማቕ ተዘክሮታት ኣሎኒ” ኢሉ ነቲ ዝሰዓበ ዘመን ይገልጾ። “ይዅን’ምበር እቶም ካብ ገጠር ንከረን ትምህርትና ንኽንቅጽል ዕድል ዝረኸብና፡ ተኣኪብና፡ ንእሽቶ ገዛ ተኻሪና፡ መግብና ባዕላትና እናኸሸንና ንመሃር ነርና፣ ንመግብና ዝኸውን እኽሊ፡ ንሓዊ ዝዀነና ዕንጽይቲ ተሸኪምና፡ ካልእ ቀንጠመንጢ ሒዝና ካብ ዓዲ ንከረን ንወርድ ነርና ... ቀሊል ናብራ ኣይነበረን ” ይብል ሓው ተኪኤ። ኣብ ዝሓለፈ ሰላሳ ዓመታት (ካብ ድሕሪ ናጽነት ጀሚሩ) ደቂ ቢለን ባዕላቶም ብተገዳስነት ንባህሎም ንኽዕቅቡ ዘይሕለል ቃልሲ የካይዱ ከምዘለው ይጠቅስ። “ኣነ ኣብ ቋንቋ-ኣደ ኣብ ምምዕባል ዝኣምን ሰብ’የ። ቈላዑ ቢለን ክሳብ ሻድሻይ ክፍሊ ብቋንቋ-ኣደ ይመሃሩ ኣለዉ፣ ካብ ሻድሻይ ክፍሊንላዕሊ ግን እቲ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ብእንግሊዘኛ’ዩ ዝቐርብ” ድሕሪ ምባል ሓደ ጸገም ይጥቍም። እቲ ቅሬታኡ ዘስፈረሉ ዛዕባ ቋንቋ ቢለን ንተመሃሮ ብፊደል-ላቲን ብምቕራቡ’ዩ።  “ርግጽ’ዩ፡ ኣብ ኤርትራ ዕላዊ ቋንቋ ስለ ዘየለ፡ እቲ ሕቶ ኣካታዒ’ዩ። ኣብ ግብሪ፡ ኣብ ኵሉ መዳያት ናብራ ትግርኛ ብመጠኑ ኸኣ ዓረብኛ’ዮም ዝዝውተሩ። ዕላዊ ቋንቋ ትግርኛን ዓረብኛን ክዀኑ ይግባእ ኢሎም ዝጕስጕሱ ሰባት’ውን ኣለዉ፣ ብጊዜ እንግሊዝ ከምኡ ስለ ዝነበረ። መንግስቲ ግን ንድሌት ህዝቢ ብግቡእ ከይተወከሰ ፊደል-ላቲን ኣተግበረ። በዚ ምኽንያት እዚ’ውን ናይ ሎሚ መንእሰያት ቢለን ብፊደላት ግእዝ ዝተጻሕፈ  ጽሑፍ ከንብቡ ኣይክእሉን” ኢሉ ተቓውሞኡ ይገልጽ። ንኣንበብቲ ንምብራህ፡ ሓው ተኪኤ ንቋንቋ ቢለን ብፊደል ግዕዝ ክጸሓፍ ኣለዎ ኢሉ ስለ ዝኣምን ብዙሕ ጐስጓስ ዘካየደን ተጊሁ ዝሰርሐን ተመራማሪ’ዩ። እኳድኣ ገለገለ ፊደላት ግዕዝ ዝመሰረቶም ገይሩ ንቋንቋ ብለን ንምጽሓፍ ተወሰኽቲ 12 ፊደላት ንልሳን ብሊን ዝውክሉ ብሓገዝ ተመራማሪ ኣመሪካዊ ዳንኤል ያዕቆብ ዝበሃል እቲ ፍደላት ካብ ናይ ቀደም መጻሕፍቲ ተዋጺኡ ብኮምፕዩተር ከምዝቅረጽን፡ ምስ ብጻዩ ዶክቶር ክፍለማርያም ሓምደ ኰይኑ ኣብ ዩኒኮድ ስታንዳርድ ከምዝምዝገብን ብምግባር  ቋንቋ ቢለን ብኮምፕዩተር ብፊደላት ግእዝ ብቀሊሉ ከም ዝጸሓፍ ንምግባር ዝሓገዘ ተመራማሪ’ዩ። “ተዘክሮታተይ ሓያል’ዩ፣ ዘንትእለት ብደቂ ቢለን፡ ብናብራ ቢለን፡ ብጥዑማት ስድራይ፡ መታዓብይተይ፡ ኣዝማደይ፡ ዝተወለድኩላ ቍሸት፡ ቃና ባህለይ፡  ጣዕሚ ደወል ቋንቋይ ኵሉ ጊዜ ምሳይ’ዩ። ዋላ’ኳ ንነዊሕ ዘመን ኣብ ኖርዋይ እንተነበርኩ፡ እቲ ዝበዝሐ ጊዜይ ምስ ተዘክሮታትይ’የ ዘሕልፎ” ይብል ሓው ተኪኤ። “መጓሰና፡ ኣባይትና፡ ጸባናን ብራሕናን፡ ቅጫና ዀነ ገዓትና፡ እቲ ጐይኻ ዘይውዳእ ሜዳን መሮርን ዓድና፡ እምባታትን ስንጭሮን ጐደቦና ... ኵሉ ኮታ፡  ኣብ መዛግብ ተዘክሮታተይ ተወቂጦም’ዮም ተሪፎም” እናበለ ንጽባቐ ዓዶም እንጪናቕ ይገልጽ። “ኣብ ገዛና ብብሌን ንዛረብ፣ እቶም ዓበይትና 2-3 ቋንቋታት’ዮም ዝመልኩ፣ ምስ’ቶም ዝዳበዉና ብትግረ፡ ኣርሒቖም እንተኸዱ ኸኣ ትግርኛ ዝጥቀምሉ እዋን ነይሩ። ኣስላምና ከምኡ’ውን ገለ ካብ ክርስትያን  ብመጠኑ ኣፍልጦ ቋንቋ ዓረብ ዘለዎም ኣለዉ ... ከምኡ እናበልና ብዝተሓዋወሱ ቋንቋታት ምስ ኩሉ ተሰማሚዕናን ተኸባቢርናን ብሰላም ንነብር ብሄር ኢና” እናበለ ምስ ናፍቖቱ ተወሳኺ ሓበሬታ የቕርብ። “ካባይ ኣብሊጾም ብዛዓባ ብሄረ-ቢለን ዝፈልጡ ብጾት’ኳ እንተ ሃለዉ፡ ኣነ በቲ ዓቕመይ በቲ ጕዕዞ ህይወተይ ኣቢለ ብዝከኣለኒ መጠን ሓደ ስእሊ ቢሄረ-ቢለን ኣቕሪበ ክኸውን ተስፋ እገብር” ኢሉ ኣብ መደምደምታ ዛንታኡ በጽሐ። “ብሓፈሽኡ፡ ኣተዓባብያይ ከምዚ ዝገለጽኩዎ ዀይኑ፡ እቲ ካብ ሓሳበይ ዘይፍለን ዝወረስኩዎ መንነትን ኣብ ህይወተይ ሰለይ ኣቢሉኒ’ዩ ክብል እኽእል። እቲ ምዕሩግ ባህልናን ጸላዊ ባህሪ ኣለዎ፣ ቢለናይ ብምዃነይ መንነተይ እናጸንበልኩ ዝነብር ሰብ’የ ክብል እኽእል” ኢሉ ክፋነወና መረጸ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4np054493mo"} {"headline":"መኸተምታ ክልል ደቡብ ዝቐረበ ዶ ይመስል?","content":"ኣብ ውሽጢ ክልል ደቡብ - ኢትዮጲያ፡ ዝነበሩ ብሄር፡ ብሄረሰባትን ህዝብታትን፡ ርእሶም ክኢሎም ክልል ንምዃን ሕቶ ከቕርቡ ዝጸንሑ ዞናትን ወረዳታትን ነናይ ገዛእ ርእሶም ክልል ንኽምስርቱ ዘኽእሎም ውሳነ የሕልፉ ኣለዉ። እቲ ልዕሊ 50 ብሔረሰባት ዝሓዘ ክልል ደቡብ፡ ኣብ ኢትዮጲያ እቲ ዝዓበየ ክልል ኰይኑ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ቋንቋን መንነትን መሰረት ገይሩ፡ ቅድሚ 25 ዓመታት ዝተተግብረ ኣመሰራርታ፡ እዚ ሕጂ ብደቡብ ክልል ዝፍለጥ ዘሎ ምምሕዳር ኣብ ሓሙሽተ ክልላት ተወዲቦም ዝነበሩ ብሔረሰባት ብሓደ ዝጸንበረ ክኸውን እንከሎ፣ ብሰንኩ ሕቶታት ርእሰ ምሕደራ ክለዓል ጸኒሑ እዩ። ኢትዮጲያ፡ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርግ፡ ኢህወደግ ስልጣን ሒዙ መሰጋገሪ መንግስቲ ምስ ተመስረተ፡ ቋንቋን መንነትን መሰረት ዝገበረ ሓድሽ ኣወዳድባ ክልላት ግብራዊ ኰይኑ። ነዚ ስዒቡ 14 ክልላት ክምስረታ እንከለዋ እቲ ሕጂ ክልል ደቡብ ዝበሃል ዘሎ ኣይነበረን። ድሕሪ ክልተ ዓመት ግን ሓሙሽተ ክልላት ብሓደ ተጸንቢረን ክልል ደቡብ ከም ዝምስረት ተገይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣሰያይማ ክልላት ብቝጽሪ ዝፈሊ እዩ ዝነበረ። ኰይኑ ድማ ክልል 7 ንጉራጌ፡ ከምባታ፡ ሃዲያ፡ የም፡ ሓላባን ስልጤን ዝበሃሉ ብሔራት ዝሓዘ ነይሩ። ኣብ ትሕቲ ክልል 8 ድማ ሲዳማ፡ ጌዲኦ፡ ኣማሮን ቡርጂን ነይሮም። ክልል 9 ንወላይታ፡ ጋሞ ጎፋ፡ ዳውሮን ካልኦት ዝሓዘ ክኸውን እንከሎ፡ ክልል 10 ኣብ ደቡብ ኦሞ ዝርከቡ ብሄረሰባት ክልል 11 ድማ ካብ ኣብ ሰግር ሩባ ኦሞ ዝርከቡ ብሄራት ዝሓዘ ነይሩ። ኣብቲ ግዜቲ ካብ ካልኦት ብዝተፈልየ 56 ዝዀኑ ብሄራት ኣብ ሓደ ተጸንቢሮም ክልል ደቡብ ክበሃሉ እንከለዉ፡ ተቓውሞ ኣልዒሉ ነይሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ፡ ክልል ናይ ምዃንን ሕቶ ካብ ኵለን ዞናት ዝለዓል ሕቶ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ። ብፍላይ ኣብ ሲዳማን ወላይታን ዝተላዕለ ሕቶ፡ ሞት ሰባትን ዕንወት ንብረትን ኣስዒቡ እዩ። ኣብ ሲዳማ ዝተላዕለ ሕቶ እናበርትዐ ምስ ከደ፡ ምርጫ ቦርድ ዘወሃሃዶ ህዝበ ውሳነ ተገይሩ፡ ሲዳማ ካብ ክልል ደቡብ ዝወጸት ፈላመይቲ ዞን ኰይና፤ ዓስረይቲ ክልል ኢትዮጵያ እውን ክትከውን ክኢላ። ብድሕሪ'ዚ ዞናት ቤንች ማጂ፡ ከፋ፡ ዳውሮን ሸካን ከምኡ'ውን ፍሉይ ወረዳ ኮንታ ብሓባር መበል 11 ክልል ኰይነን ካብ ክልል ደቡብ ወጺአን። እቲ ብሓባር ይዅን ብውልቂ ዝለዓል ክልል ናይ ምዃን ሕቶ ንክልል ደቡብ ቀንዲ ጕዳይ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ። ሲዳማን ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያን ክልላት ንክዀና ዘመቻቸአ ክልል ደቡብ፡ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ምላሽ ክህብ ይሰርሕ ኣሎ። በብኸባቢኡ ንዝቐረቡ ሕቶታት ብውልቂ ምላሽ እንተተዋሂቡ ብዙሓት ክልላት ካብ ክልል ደቡብ ክወጽኣ ይኽእላ እየን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝቀራረብ ባህሊ ዘለወን ጐረባብቲ ዞናት ብሓባር ክልል ዝዀናሉ መስርሕ ኣብ ምድላው ይርከብ። ነዚ ስዒቡ ዞባታት ወላይታ፡ ጋሞ፡ ጌዲኦ፡ ኮንሶን ደቡብ ኦሞ ከምኡ'ውን ፍሉይ ወረዳታት ኣማሮ፡ ደራሼ፡ ኣሌ፡ ቡርጂን ባስኬቶን ብሓባር ክልል ንምዃን ውሳነ ኣሕሊፈን ኣለዋ። ብተወሳኺ ድማ ብሓባር ክልል ንኽዀና ሓሳብ ዝቐረበለን ዞናት ሃድያ፡ ከንባታ፡ ሀላባ፡ ስልጤን ጉራጌን ከምኡ'ውን ፍሉይ ወረዳ የም ክዀና እኝከለዋ፡ ብዘይካ ዞናት ጉራጌን ስልጤን ባይቶ ኵለን ዞናትን ፍሉይ ወረዳን ነቲ ሓሳብ ከምዝተቐበሉ ኣፍሊጦም እዮም። ምምሕዳር ደቡብ ክልል፡ እዚ ሓድሽ ኣወዳድባ \"እቲ ህዝቢ ዝነበሮ ሕብረት፡ ሕውነት፡ ሓልዮትን ካልኦት ማሕበራዊ ርክባት ብዘይጐድእ መገዲ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ባህጊ ከምዘሎን\" እዚ ድማ ውጽኢታዊ ንምግባር ምስ ፈደራል መንግስቲ ብሓባር ደገፍ ከምዝገበር ገሊጹ። እዚ ሓሳብ ብውልቂ ክልል ክምስርቱ ካብ ዝደልዩ ወገናት ተቓውሞ'ኳ እንተገጠሞ ባይቶታት እተን ዞናትን ፍሉይ ወረዳታትን ግን ነዚ ሓድሽ ኣወዳድባ ደጊፎም ኣለዉ። ዞን ጉራጌን ስልጤን ርእሰን ክኢለን ክልል ክዀና ሕቶ ከቕርባ ጸኒሐን እየን። ሕጂ'ውን ነዚ ቕዋም ሒዘን እንተቐጺለን ነቲ ክልል ደቡብ ዝሓስቦ ዘሎ ሓድሽ ኣወዳድባ ዕንቅፋት ክዀኖ ይኽእል እዩ። ይዅን እምበር፡ እቲ ንኽልል ደቡብ ኣብ ክልተ ክልላት ናይ ምውዳብ ሓሳብ ግን ብመብዛሕትኦም ዞናትን ፍሉይ ወረዳታትን ተቐባልነት ረኺቡ እዩ። ነዚ ሓድሽ ኣወዳድባ ኣብ ግብሪ ከውዕል ዝሰርሕ ዘሎ ክልል ደቡብ፡ በቲ ሓድሽ ኣወዳድባ ከምዝተሰማምዑ ዝገለጹ ባይቶታት እተን ዞባታትን ፍሉይ ወረዳታትን ዘሕለፍዎ ውሳነ “ብሱል” ክብል ዘለዎ ኣድናቘት ገሊጹ። እዚ ኣወዳድባ ተቐባልነት ረኺቡ ኣብ ግብሪ እንተ ውዒሉ፡ መኸተምታ እቲ ፍልይ ዝበለ ኣወዳድባ ዘለዎ፡ ብመዋቕር ምሕደራን ብሕቶታት መንነትን ክናወጽ ዝጸንሐ ክልል ደቡብ ይኸውን ኣሎ። ካብተን ኣቐዲመን ክልል ዝዀና ክልል ሲዳማን ክልል ደቡብ ምዕራብን ወጻኢ ዝርከባ ዞናትን ፍሉይ ወረዳታትን ንኽልተ ተመቒለን መበል 12ን 13ን ክልላት ክዀና እየን።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crg6w06vyw4o"} {"headline":"ወዶም ውላድ ስለዘይሃቦም ዝኸስዎ ዘለው ስድራ","content":"ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ ግዝኣት ኡታራክሃንድ ዝቕመጡ ስድራቤት፡ እንኮ ወዶም ድሕሪ ናይ ሽዱሽተ ዓመት መርዓ፡ ውላድ ስለዘይሃቦም፡ ንወዶምን በዓልቲ ቤቱን ይኸሱ ኣለዉ። እዞም ሳንጂቭን ሳድሃና ፕራሳድን ዝተባህሉ ስድራቤት፡ እቲ ንዓመታት ዝዓቘርዎ ገንዘብ፡ ወዶም ንምዕባይ፡ ንናይ ፓይለት ትምህርቱን ንመማዕረጊ ገፊሕ መርዓኡ ከም ዘወድእዎን ይዛረቡ። እቶም ስድራ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዝዀነ ቈልዓ እንተዘይተወሊዱ፡ ኣስታት 650 ሽሕ ዶላር (525 ሽሕ ፓውንድ) ዝግመት ካሕሳ ክወሃቦም ከኣ ይጠልቡ ኣለዉ። ወዶምን በዓልቲ ቤቱን ገና ርእይቶ ኣይሃቡን ዘለው። እቲ ኣብ ሕብረተሰብ ኣዝዩ ዘይተለምደ ክሲ፡ \"ስነ-እምሮኣዊ ምግፋዕ\" ብዝብል ምኽንያት እዩ ቀሪቡ። ፕራሳድ ኣቦ እቲ ወዲ፡ ኵሉ እቲ ዘዋህለሎ ገንዘብ ኣብ ወዱ ከም ዘውጽኦን፡ ኣብ 2006 ድማ 65 ሽሕ ዶላር ወጻኢታት ብምግባር ናብ ኣሜሪካ ንትምህርቲ ፓይለት ከም ዝሰደዶን ገሊጹ። ኣብ 2007 ናብ ህንዲ ተመሊሱ፡ ስራሕ ስለ ዝሰኣነ ስድራኡ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ብገንዘብ ክድግፍዎ ከም ዝተገደዱ ታይምስ ኦፍ ኢንዲያ ኣቃሊሑ። ወዲ 35 ዓመት ሽረይ ሳጋር፡ ኣብ መወዳእታ ከም ፓይለት ስራሕ ረኺቡ። ወለዱ፡ ኣብ 2016፡ ኣብ እዋን ጥሮታኦም \"ዝጻወቱሉ ውሉድ\" ክህልዎም ተስፋ ብምግባር፡ ንሓዳር ከም ዘዳለዉዎ ይዛረቡ። እቶም ወለዲ፡ እቲ መርዓ ኣብ ሓደ በዓል 5 ኮኾብ ሆቴል ከምዘካየድዎን፡ 80 ሽሕ ዶላር ዝዋጋኣ መኪናን፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ንኽሕጸን ኵሉ ወጻኢታቱ ከም ዝኸፈሉሉን ይዛረቡ። \"ወደይ ካብ ዝምርዖ ሽዱሽተ ዓመት ኣቝጺሩ'ሎ፣ እንተዀነ ክሳብ ሕጂ ክወልዱ ኣይሓስቡን ዘለዉ፡\" ኢሉ። \"ብውሑዱ ምሳና ግዜ ዘሕልፍ ውላድ እንተሃቡና፡ ቃንዛና ዝጽወር ክኸውን'ዩ።\" ጠበቓ እዞም ወለዲ፡ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንሳቶም ነቲ ገንዘብ \"ብሰንኪ ኣእምሮኣዊ ጭካነ\" ከምዝሓተቱ ገሊጹ። \"ሓጐታት ምዃን ሕልሚ ኵሉ ወላዲ'ዩ። ሓጐታት ክዀኑ ንዓመታት ክጽበዩ ጸኒሖም'ዮም።\" ጥርዓን እዞም ስድራ፡ ን17 ግንቦት ብቤት ፍርዲ ክረአ ትጽቢት ይግበር። ወዶምን በዓልቲ ቤቱን ግን ርእይቶ ዝሃቡ ኣይመስሉን።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/61435143"} {"headline":"ንዘመናት ዝጸንሐ ጽውጽዋይ ጾታዊ ርክብን ድንግልናን","content":"ሃይመን (hymen) ንመኽፈቲ ርሕሚ ብኸፊል ዝዓጹ፡ ህላወኡ ብባህሊ ከም ምልክት ድንግልና ዝውሰድን ሽፋን እዩ። ገለ ሰባት \"ኣኽሊል ርሕሚ\" ወይ \"vaginal corona\" ብዝብል ስም ክልወጥ ኣለዎ ዝብልዎ እዚ ሽፋን፡ ሰባት ንዘመናት ክመራመሩሉን ክጭነቑሉን ጸኒሖም እዮም። እሞ ብዛዕባ'ዚ ሽፋን ዝንገሩ ጽውጽዋያት ከመይ መኽተምታ ክንገብረሎም ንኽእል? \"ድንግል ድየ?\" ዝብል ሕቶን ናይ ርሕሚ ስዕሊን ዝተለኣኸላ ኣቢር ሳራስ እንታይ ምላሽ ከምትህብ ናብ ድንገርገር የእትዋ። \"ናይ ርሕሚ ሰልፊ\" [ሰልፊ - ባዕላዊ ስእሊ] ክለኣኸላ እዚ ንመጀመርታ ግዜ'ዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን፡ ኣቢር ሳራስ ርክባትን ጾታዊ ርክብን ዝምልከት ትምህርቲ ዘቕርብ ‘ላቭ ማተርስ ዓረቢክ’ ዝበሃል ናይ ፌስቡክ ገጽ ኣመሓዳሪት ነይራ። ሳራስ ነቲ መልእኽቲ ዝለኣኸት \"ዓርኪ ስለዝነበራን ሕጂ ግን ትሕጸ ስለዘላ ድንግል ምዃና ክተረጋግጽ\" ስለዝደለየት እያ። ነቲ ስእሊ ጥራይ ብምርኣይ ድንግልናኣ “ከምዘይኸደ” ንኽተረጋግጸላ ድማ እዩ ድልየታ። እዚ ንኽትገበር መንቀሊኣ፡ \"ጓል ኣንስተይቲ ድንግል ኾይና ሓዳር ክትገበር ኣለዋ፤ እቲ ሰብኣያ እውን ደም ከምዝፈሰሳ ርእዩ ድንግል ከምዝኾነት ከረጋግጽ ኣለዎ\" ካብ ዝብል ፀቕጢ እምነት ማሕበረሰባ እዩ። እቲ ሃይመን ወይ ሽፋን፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ጾታዊ ርክብ ፈጺማ ከምዘይትፈልጥ ዘመልክት ኣካላዊ \"መርትዖ\" ዝህብ መርመራ ድንግልና እዩ። ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣብ 2018፡ መርመራ ድንግልና ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝኾነ ውሳነ ምሕላፉ ይፍለጥ። መርመራ ድንግልና ብዝተፈላለየ መገዲ ክግበር ይኽእል። ንኣብነት ብዝተፈላለየ ሜላ ነቲ ሃይመን ወይ ሽፋን ዝዕቅኑ ኣለዉ። ደም ዝፈሰሶ ኣንሶላ እውን ከም መረጋገጺ ድግልና ይውሰድ እዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ እቲ ደም ዝፈሰሶ ኣንሶላ ኣብ ቅድሚ ስድራቤትን ዕዱማትን ቀሪቡ ዝረኣየሉ ኹነታት ኣሎ። እዚ ሳይንሳዊ መሰረት የብሉን። ድንግልና ንባዕሉ ስነ-ህይወታዊ ክውንነት ዘይብሉ ማሕበራዊ ስርሒት እዩ። ይኹን እምበር ኣብ መላእ ዓለም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት፡ ታሪኽ ጾታዊ ርክብ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ኣካላ ተጻሒፉ ከምዝርከብን ኹለን ተፈጥሮኣዊ ደቂ ኣንስትዮ ንፈለማ ግዜ ጾታዊ ርክብ ክፍጽማ ከለዋ ደም ከምዝፈሰንን ይኣምኑ። ኽልቲኡ እዚ እምነት ሓቂ እንተዘይኮነ እኳ ከምዚ ዓይነት እምነታት ዘለዎም ቋንቋታት፣ ሃይማኖታትን ማሕበረሰባትን ኣለዉ። ‘ሉዚንግ ኢት’ ኣብ ዝብል መጽሓፈይ፡ እዞም ጽውጽዋያት ኣበይን ብመንን ይድገፉ? እዞም ጽውጽዋያት ክሳብ ሕጂ ዝእመነሎም ብሰንኪ ሕጽረት ሳይንሳዊ ምርምር ክኸውን ይኽእል’ዶ? ንዝብሉ ሕቶታት ምላሽ ክረክብ ፈተነ ገይረ። ኮይኑ ግን እቲ ጽውጽዋይ ሓቂ ከምዘይኮነ ዘረጋገጹ ብዙሓት ሳይንሳዊ መጽናዕቲታት ረኺበ። ብተወሳኺ እውን ነቲ ጽውጽዋይ ዝድግፉ ሓኻይም፣ ሓገግቲ ኣካላት ከምኡ’ውን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ትምህርቲ ጾታዊ ርክብ ብዛዕባ ድንግልና ቕኑዕ ሓበሬታ ምሉእ ብምሉእ ዕሽሽ ዝብሃለሎም ኹነታት ከምዘለዉ ፈሊጠ። ሃይመን ኣብ ጥቓ መኽፈቲ ርሕሚ ዝርከብ ንእሽቶን መምብራናዊ ኣካሊት ወይ ዓለባ (membranous tissue) እዩ። እዚ ዕላማ ዘይብሉ ዝመስል ንእሽቶ ኣካል ክንድዚ ዝኣክል ዘይጭቡጥ ዕላማ ክወሃቦ ኸሎ ብሓቂ ንምእማን ዘጸግም እዩ። ፈለማ እቲ ሽፋን ስለምንታይ ኣብ ኣካል ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ክርከብ ኪኢሉ? ዝብል ተመራመርቲ 'ውን ዝካትዕሉ ጉዳይ እዩ። ካብ ማይ ወጺኦም ኣብ መሬት ክነብሩ ካብ ዝጀመሩ ኣብ ቅድመ-ታሪኽ ካብ ዝነበሩ መጥበውቲ ፍጥረታት ዝተረፈ ድዩ? (ኣብ እዋናዊ ኣካል ወዲ ሰብ ዝፍለጥ ጠቓሚ ስራሕ ስለዘይብሎም ከም ኣፐንዲክስ (appendix)፡ ሓናት \/tonsils\/፡ ታሕተዋይ ክፋል ዓንዲ ሕቖ ዝርከብ ንእሽቶ ዓጽሚ \/tailbone\/ ዝኣመሰሉ ኣብ ከይዲ ፍልቀት (evolution) ተሰኪምናዮም ከምዝተረፍና ዝእመነሎም ኣካላት እዮም።) ወይስ ኣብ እዋን ውልዶነት፡ ባክተርያ ካብ ቀልቀል ናብ ርሕሚ ከይኣቱ ዝከላኸል ድዩ? ብሓቂ ዝፈልጥ ሰብ የለን። ኣብ ገለ ካልኦት ፍጥረታት ዕላማ ዘለዎ ይመስል፤ ንኣብነት እቲ ሃይመን፡ ኣብ ጊሐ (guinea pig) ንምርባሕ ድልው ኽትኮን ከላ ይፈስስ ድሕሪኡ ምስ ወድአት ድማ ተመሊሱ ዳግማይ ይዓቢ። ኣብ ደቂ ሰባት ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ፍጻመ የብሉን። ብዙሓት ሰባት ብጌጋ፡ ሃይመን ንርሕሚ ጓል ኣንስተይቲ ዝሽፍን መዓጾ ከምዝኾነ ይኣምኑ። እዚ ማለት ግን እታ ጓል ኣንስተይቲ ወርሓዊ ጽግያት ኽፈሳ ኣይኽእልን ማለት ከም ዝኾነ ኣይግንዘቡን። መብዛሕትኦም ሽፋናት ቀለቤታዊ ወይ ፍርቂ ወርሒ ዝመስል ቅርጺ ኣለዎም። ዝተፈላለየ ቅጥኒን ርጉድን እውን ክህልዎም ይኽእል። ምስ ዕድመ ክቕየር ከም ዝኽእል፡ ገለ ደቂ ኣንስትዮ ብዘይ ብኡ ከምዝውለዳ፡ ወይ ስርጸት ዘለዎ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ቅድሚ ምጅማርና ብዝኾነ ምኽንያት ክጠፍእ ከም ዝኽእል ንፈልጥ ሰባት ውሑዳት ኢና። እቲ ሃይመን ወይ ሽፋን፡ ምውስዋስ ኣካላት፣ ስጡም ጾታዊ ርክብ ወይ ካልኦት ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ኣብ ንፍጽመሉ እዋን ክዝርጋሕ ወይ ክቕደድ ይኽእል እዩ። እዚ ማለት ግን ጾታዊ ንጥፈታት ብመርመራ ሃይመን ምርግጋጽ ይካኣል እዩ ዝብል ሓሳብ ቅኑዕነት ኣለዎ ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ 2004 ዝተሓትመ ሓደ ንእሽቶ መጽናዕቲ፡ ካብ 36 ነፍሰጾራት ሰራሕተኛታት ሕክምና ኣብ እተን ክልተ ጥራይ \"ውዱእ ርኽበታት ስርጸት\" ከረጋግጹ ከምዝኸኣሉ ይሕብር። ካልእ ኣብ 2004 ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ቃለ መሕትት ካብ ዝተገብረለን ጾታዊ ርክብ ዝፍጽማ ኣዋልድ፡ እተን 52 ምኢታዊት \"ኣብቲ ሃይመን ወይ ሽፋን ዝኾነ ይኹን ምልክት ለውጢ ከምዘይብለን\" የመልክት። ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ጾታዊ ርክብ ትፍጽም እንተኾይና ሃይመን የብላን ወይ ድማ ጾታዊ ርክብ ዘይትፍጽም እንተኾይና ሃይመን ኣለዋ ዝብል ሓሳብ ቅኑዕ ኣይኮነን። ደም ዝፈሰሶ ኣንሶላ፡ ሰባት ኣብ መላእ ዓለም ዝጥቀሙሉ ዓይነት መርመራ ድንግልና’ውን ኣብ ሓሶት ዝተመርኮሰ ይኸውን። ገለ ሃይመን፡ እቲ ተግባር ምርመራ ሃንደበታዊ እንተኾይኑ ወይ እታ ጓል ኣንስተይቲ እንተዘይተዛንያ ንመጀመርታ ግዜ ክዝርጋሕ ከሎ ደም ክፈስስ ይኽእል። ብሓቂ ግን ዝኾነ ደም፡ ብሰንኪ ብሓይሊ ዝፍጸም ጾታዊ ርክብ ወይ ሰንኪ ዋሕዲ ፈሳሲ ብዝህሉ ምፍሕፋሕ ብዝፍጠር ቁስሊ፡ ናብ ርሕሚ ናይ ምፍሳስ ተኽእሎኡ ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ። ንመጀመርታ ግዜ ብዝፍጸም ጾታዊ ርክብ ደም ክፈስስ ወይ ዘይክፈስስ ይኽእል። ልክዕ ከምቲ ካብ ዝኾነ ግዜ ጾታዊ ርክብ ዝፈስስ ደም ክኸውን ወይ ዘይክኸውን ይኽእል። ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ምፍሳስ ደም ካብ ዘስዕቡ ምኽንያታት፡ ጭንቀት ስምዒት፣ ምሉእ ብምሉእ ዘይምልዕዓል ወይ ረኽሲ ዝኣመሰሉ ይርከብዎም። ሓንቲ ሓኪም ማህጸን፡ ንመጀመርታ ግዜጾታዊ ርክብ ኣብ ዝፈጸማሉ እዋን ደም ፈሲስወን ድዩ ኣይፈሰሰንን ኢላ ካብ ዝሓተተተን ን41 መሳርሕታ እተን 63 ሚእታዊት ከምዘይፈሰሰን ገሊጸን እየን። ኣብ ቱርኪ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዲክለ ኣብ 2011 ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ልዕሊ 72 ደቂ ኣንስትዮን 74.2 ሚኢታዊት ደቂ ተባዕትዮን፡ ሃይመን ምልክት ድንግልና ምዃኑ ይኣምኑ። 30.1 ሚኢታዊት ካብቶም ደቂ ተባዕትዮ \"ደም ዝፈሰሶ ኣንሶላ\" ድሕሪ መርዓ ብስድራቤት ክረኣይ ከምዘለዎ ገሊጾም። እዚ ድማ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ኣወንታዊ ጾታዊ ጥዕና ንምርካብ ዓሚቝ ጽልዋ ከሕድር፣ ጾታዊ መንነተን ከይድህስሳን ኣብ ዙርያ ጾታዊ ርክብ ክጭነቓን ክገብረን ይኽእል። ኣብ ግብጺ ከተማ ጊዛ ዝተኻየደ ማሕበራዊ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ መብዛሕትአን ቃለ መሕትት ዝተገብረለን ደቂ ኣንስትዮ ቅድሚ ምሸት መርዓአን ጭንቀትን ፍርሕን፡ ከምኡ’ውን ኣብ እዋን መርዓአን ቃንዛን ስንባደን ከም ዘጋጠመን የረጋግጽ። ካብ 2013 ጀሚሩ ኣብ ሊባኖስ ኣብ ልዕሊ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ዳርጋ 43 ሚኢታዊት ካብተን ቃለ መሕትት ዝተገብረለን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ምሸት መርዓአን ደም ከይፈሰሰ ከይቐርይ ብምፍራሕ፡ ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ከምዘይፍጽማ ገሊጸን። ካልእ ካብ ሊባኖስ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ካብተን ቃለ መሕትት ዝተገብረለን 416 ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣስታት 40 ሚኢታዊት ዝኾና ድንግልናአን ንምዕቃብ ክብላ ብመሃንቱስ ወይ ብኣፍ ጾታዊ ርክብ ከም ዝፍጽማ ሓቢረን። ኣብ መጽናዕተይ፡ ደቂ ኣንስትዮ ግብረ-ሕቡእ ['ማስተርቤሽን']፡ ሃይመነን ክኸይድ ገይሩ ከይኾን ዝፈርሓ ወይ ድማ ብሰንኪ እዚ ሕርመን ንምትንካፍ ኣዝየን ዝፈርሓ ደቂ ኣንስትዮ ብኢንተርነት ዝዘርግሖኦ ማእለያ ዘይብሉ ሓበሬታ ረኺበ እየ። እቲ ጽውጽዋይ ሃይመን፡ ንጾታዊ ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዘይኮነስ ንማዕርነተን እውን ዝጸሉ እዩ፤ ፍትሒ ንኸይረኽባ ክዕንቅፍ ይኽእል። ፓኪስታን፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ንግህሰት ዝተፈጸመን ደቂ ኣንስትዮ ትገብሮ መርመራ ድንግልና ኣብ ቀረባ እዋን እያ ኣጊዳቶ። ብፍላይ ኣብ ኤስያ፣ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜናውን ደቡባውን ኣፍሪቃን ሓያሎ ሃገራት ክሳብ ሕጂ ምርመራ ድንግልና ይፍጽማ እየን። ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽማ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ እዋን መርዓ ድንግል ኣይኮንክንን ከይበሃላ ኣዝየን ይፈርሓ እየን። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ንኸምዚአን ዝኣመሰላ ደቂ ኣንስትዮ መጥባሕቲ ጽገና ሃይመን ወይ ‘ድንግልና’ ብምሃብ ዝኸስቡ ብዙሓት ሓኻይም ኣለዉ። መጽሓፈይ ኣብ ዝጽሕፈሉ እዋን፡ ንሓደ ኣብ ለንደን መጥባሕቲ ዝገብር ሓኪም ብዛዕባ መርመራ ድንግልና ኢመይል ሰዲደሉ ነይረ። እቲ ተሓባባሪኡ፡ 390 ዶላር ከፊለ ሃይመን ከምዘይኸደኒ መረጋገጺ ክረክብ ከምዝኽእል ኣረጋጊጹለይ። ሃይመን ከይዱ እንተኾይኑ ድማ ብ7,000 ዶላር መጥባሕቲ ጽገና ክግበረለይ ከምዝኽእልን ብድሕሪኡ ድማ ሃይመነይ ከምዘሎ ዘረጋግጽ ጸብጻብ ሕክምና ክወሃበኒ ከምዝኽእል ሓቢሩኒ። ኣብ ጥሪ 2022 ፖሊቲከኛታት ብሪጣንያ፡ መጥባሕቲ ጽገና ሃይመን ወይ ‘ድንግልና' ዘይሕጋዊ ንክኾን ወሲኖም ኣለዉ። ይኹን እምበር ገለ ሓካይም መጥባሕቲ ክሳብ መወዳእታ ከምዝቃለሱ ዝገለፁ ኮይኖም፡ ኣገልግሎት ይህቡ ከምዘለዉ'ውን ንጹር እዩ። ኣብ ኢንተርነት፡ ሓደ ናይ ለንደን መጥባሕቲ ሓኪም፡ ጽገና ሃይመን \"ብሰንኪ ጾታዊ ርክብ ወይ ኣድካሚ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣብ ርሕሚ ጉድኣት ንዘጋጥመን ደቂኣንስትዮ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል'ዩ\" ይብል። (ብርግጽ፡ ሃይመን ዝኾነ ስነ-ህይወታዊ ዕላማ ዘይብሉ እንተኾይኑ፡ ከምዚ ዓይነት ተጻባኢ መጥባሕቲ እንታይ ረብሓ ይህልዎ?) ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከቡ መርበብ ሓበሬታታት ክሊኒካት እውን ሓሶታት እናተዘርግሐ ይርከብ። ሓደ ሊባኖሳዊ ሓኪም መጥባሕቲ፡ \"ጽገና ሃይመን ዝግበር፡ ድንግልናኣ ንምምላስ'ዩ\" ይብል። ካልእ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ሓኪም እውን፡ \"ጽገና ሃይመን፡ ንርሕሚ ናብቲ ፈለማ ዝነበረሉ 'ድንግል' ኩነታት ምምላስ'ዩ\" ክብል ይገልፅ። ስለዚ ጽውጽዋይ ሃይመን ብኸመይ የኸትም? ንገለ ካብዚ መጽናዕቲ ኣቓልቦ ምሃብ፡ ከምኡ’ውን መርመራ ድንግልና ዝምልከት ሕጋዊ መስርሕ ምምሕያሽ፡ ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ንሰባት ከይደናገሩ ምክልኻልን ከም መበገሲ ክኸውን ይኽእል። እቲ ጸገም፡ ብዙሓት ካብዞም ሓሳባት ኣብ ወለዶታት ዝሰረቱ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ሳይንስ ኣፍልጦ ዘይህቦ ሓሳባት ዝድግፉ እዮም። ብባህላዊ ሓሳብ ድንግልና ትኣምኑ ከምኡ’ውን ንጾታዊ ዘይምዕሩይነት ትድግፉ እንተደኣ ኾይንኩም፡  ካብኡ ወጻኢ ንኽትሓስቡ መሬት ዘንቀጥቅጥ ማሕበረሰባዊ ለውጢ ክመጽእ ከድሊ ክኾን ይኽእል እዩ። ገለ ሰባት፡ ነቲ ጽውጽዋይ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንምኽታም ዝሕግዝ ሓደ መገዲ፡ ስም ናይቲ ሃይመን ምሉእ ብምሉእ ምቕያር ምዃኑ ይኣምኑ። ዓረብን ቸክን ሓዊሱ ብዙሓት ቋንቋታት ቃል ብቓሉ \"ሽፋን ድንግልና\" ኢሎም ዝሰምይዎ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዚ ጽቡቕ ሓሳብ ይመስል። ብርግጽ፡ መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ፡ ንሃይመን ሓዱሽ መጸውዒ ስም ምሃብ፡ ብሓቂ ኣብ ምቕያር ኣረኣእያታት ክሰርሕ ይኽእል እዩ። ኣብ 2009 ማሕበር ትምህርቲ ጾታዊ ርክብ ሽወደን፡ ነቲ \"ሽፋን ድንግልና\" ዝብል ትርጉም ዝህብ ‘mödomshinna’ ዝብል ቃል ብ\"ኣኽሊል ርሕሚ\" ‘slidkrans’ ክቕይሮ ወሲኑ። ኣብ በረርቲ ፅሑፋት ኣገልግሎት ጾታዊ ጥዕና፣ ጋዜጣታት፣ ወግዓዊ ኣካል ውጥን ቋንቋ ሽወደንን ኣብ ኩሉ መጻኢ ርክባት ናይቲ ማሕበርን ሓዊሱ ኣብ ኩሉ ቦታ ክጥቀሙሉ ጀሚሮም። ዳርጋ ድሕሪ 10 ዓመታት፡ ተመራማሪት ካሪን ሚልስ፡ 86 ሚእታዊት ካብቶም ኣብ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ስርሖም \"ኣኽሊል ርሕሚ\" ዝብል ቃል ከምዝተጠቕሙ ትገልጽ። ቁጽሪ እቶም ከምቲ እቲ ቅድም ክብል ዝነበረ ኣረኣእያ ሃይመን ዝኣምኑ ሰባት ኣዝዩ እናውሓደ እዩ ኸይዱ። መብዛሕትኦም ን‘mödomshinna’ \"ጽውጽዋይ\" ኢሎም ገሊጾሞ። ካልኦት ድማ \"ከምኡ ዝበሃል ነገር የለን\" ክብሉ ምላሽ ሂቦም። ለውጢ ቋንቋ ብሓደ ለይቲ ኣይፍጸምን፡ ግን ከኣ ጅማሮ እዩ። ንሕና እውን \"ኣኽሊል ርሕሚ\" ክነተኣታቱ ኣለና ዝብሉ ብዙሓት ናይ ጾታዊ ርክብ መምህራን ኣለዉ። ሽወደናውያን ዓብዪ ዓወት ዝረኸቡሉ ምኽንያት ቃል ምቕያሮም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንምንታይ ከምዝቐየሩ እውን መንእሰያትን ሰብሞያ ሕክምናን ክርድኡ ስለዝገበሩ እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መንግስታት ከም መርመራ ድንግልናን ጽገና ሃይመንን ዝኣመሰሉ ተግባራት ንምእጋድ ዝያዳ ተገዳስነት ኣብ ዘርእይሉ እዋን እቲ ድሕሪ እገዳ ዘሎ ምኽንያታትእውን ናብ ክፍልታት ቤት ትምህርቲን ኣዳራሻት ኣስተምህሮን ክኣቱ ኽገብሩ ኣለዎም። በዚ ኸምዚ፡ እዞም ሓደገኛታት ጽውጽዋያት እዚኣቶም ድሕሪ ደጊም ንኸይስምዖም ክንገብር ንኽእል ንኸውን። [* እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ካብታ ‘ሎዚንግ ኢት፡ ሴክስ ኢጁኬሽን ፎር ዘ 21ስት ሴንቹሪ’ ትብል መጽሓፍ ዝተወስደ እዩ።]","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72evwx14lgo"} {"headline":"ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣቶ መለስ ዜናዊ፣ ዶክተር ኣምባቸውን ካልኦትን ዘድመቑ ኣቶ ደርሶ ሙጬ","content":"ኣቶ ደርሶ ሙጬ ፡ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ መለስ ዜናዊ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ነበር ዶክተር ኣምባቸው መኮንን፣ ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ነበር ኣቶ ኣበረ ኣዳሙ ምስ ሞቱ፡ ገንዘብ ተኸፊሉዎ ሓዘን ከድምቑ [ሓዘን ከላዕሉ] ዝመጽኡ'ዮም። እንተኾነ 'መተሓዳደሪኹም ሓዘን ምድማቕ ድዩ?' ተባሂሎም ክሕተቱ እንከለው ባህ ኣይብሎምን። ናብርኦም ክዳን ሰፍዮም ከም ዝመርሑ፤ ግን ድማ ኣብ ሓዘን ከይድኻ ምድማቕ [ምቕስቓስ] ንህዝቢ ዘገልግልሉ ክቡር ሞያ ምዃኑ ይዛረቡ። ስለ ዝኾነ ድማ ዓብዪ ቦታ ይህቡዎ። ኣቶ ደርሶ፡ ንዝሓለፉ 19 ዓመታት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ እንዳ ሓዘን ተረኺቦም፡ ሓዘን ኣድሞቘምን ሬሳ ኣፋንዮምን እዮም። ኣብ ሓዘን እንዳ'ማቶም ተረኺቦም ክበኽዩ እንከለው ግን ንብዓት ይመጽኣሎም? ኣዝዩ ልቢ ብዝትንክፍ ድምጺ፡ \"ምችኣል ኣቦይ፤ ርህሩህ'የ። ሕዙን ርእየ ደስ ኣይብለንን፤ ንብዓተይ ስቕ ኢሉ'ዩ ዝውሕዝ . . .\" ይብሉ። እምብኣር ንዕኦም ሒዝና ኣብ ባህርዳር ጎቦ ቤዛዊት ርኢናዮ ክንምለስ። ሓጺር ታሪኽ ህይወት ኣቶ ደርሶ ዝስዕብ ይመስል። \" . . . ደርሶ ሙጬ'የ ዝብሃል፤ ኣብ ጎጃም'የ ተወሊደ። ምስ ኣቦ ሓጎይ ኣብ ደጋዳሞ ዓብየ፤ ። ወዲ 26 ዓመት ምስ ኮንኩ ድማ ናብ ባህርዳር መጺአ፤ ኣብዚ ይነብር ኣለኹ። እንዳ ሓዘን ምድማቕ ወዲ 31 ዓመት ኮይነ'የ ጀሚረዮ\"። ኣቶ ደርሶ፡ ንዝሓለፉ 19 ዓመታት፡ ኣብ ኣሽሓት ስነ ስርዓት ቀብሪ ተረኺቦም'ዮም። ንኣባ ሓጉኦም ፍሉይ ፍቕሪ ዝነበሮም ኣቶ ደርሶ፡ \"ካብኡ እየ ወሪሰዮ፤ ከመይ ዝበለ ቐስቓሲ ነይሩ ይመስለካ። ንሱ እናኣረገ ምስ ከደ፡ ኣነ ጀሚረዮ፤ ምስ ሞተ ክኣ ተተኪአ\" ይብሉ። ንሶም ብሞት ክፍለዩ እንከለው፡ መሪር ሓዘን ከም ዝተሰምዖም ዝዛረቡ ኣቶ ደርሶ፥ ‹‹ምነው አባትዬ ምነው አባት ዓለም…›› \"ልበላ ነው እንጂ ለለቅሶም አልመጣሁ ባልሞትክብኝና በጉዴ ባልወጣሁ\" ኢለ ኣንቢዐሉ። ቐጺሎም ድማ . . . \"አባቴ አባዬ! ደንዳናው ገበሬ እታዛህ ይገኛል የነቀዘ ፍሬ\" እናበልኩ መሪር ሓዘነይ ገሊጸ ይብሉ። ነዚ ከም ሓደ ሞያ ዝርእዩዎ ኣቶ ደርሶ፡ ብዙሕ ቆላሕታ ዘይምርካቡ ከም ዘሕዝኖም ይዛረቡ። ከም ብዋዛ ጠፊኡ ከይተርፍ ዝብል ስግኣት ኣለዎም። ደቆም'ውን ተመሳሳሊ ሞያ ክህልዎም ከም ዝምነዩሎም ምስ እትፈልጥ ክኣ እዚ ክሳብ ክንደይ ከም ዘስግኦም ትርዳእ። ልክዕ ከምቶም ደቈም ሓኪም፣ ፓይለት ወይ ኢንጅነር ክኸውን ዝምነዩ ወለዲ፡ ኣቶ ዳርሶ ደቆም ተኸፊሉዎም ሓዘን ዘድምቑ ክኾኑ'ዩ ዝምነዩን ዝደልዩን። \"ኣሃ! ልክዕ'ዩ እኮ፤ ካብ ወለድና ዝወረስናዮ ነገር ክጠፍእ የብሉን። ፈኸራን ካልእን፡ ናይ ኣቦኻስ ክጠፍእ የብሉን። ሰለስተ ቈልዑ ኣለውኒ፤ እታ ሓንቲ መምህር እያ። ክልቲኦም ግን ጌና ህጻናት'ዮም። እቲ ሞያስ ክጠፍእ የብሉን እየ ዝብል\" ይብሉ። ግን ንምንታይ ንበኪ? ሓዘን ዘድምቕ ሰብ እንታይ'ዩ? ብሱሩ የድሊ ድዩ? \"ከመይ ድኣ! ሓዘን ዘድምቕ ሰብ እኮ ነቲ ብሓዘን ዝተጎድአ ሰብ'ዩ ዘጸናንዕ። ሰለስተ ኣርባዕተ ኮይንና ኢና ሓዘንተኛ ከይጉዳእ ንገብር። እስከ እዚ ስምዓዮ ከመይ ከም ዘጸናንዕ . . .\" ኢሎም ይጅምሩዎ። እናትና ጓሮ ሁለቱ አንድ ናቸው፣ ሚሰጡት አያጡ ምን ቢቸግራቸው፤ እናት ዓለም አልኳት ስሟን አሳንሼ ስሟን አሳንሼ፣ ዘጠኝ ወር አርግዛ ስጋዋን ለብሼ፤ እናት ዓለምዬ እናት ዓለምዬ! ብዛዕባ ህይወት እንታይ ከም ዝሓስቡ፤ ሞትከ ንዕኦም እንታይ ከም ዝኾነ ንክንፈልጥ ሓቲትናዮም። \"እንተመጺኡስ ኣቕልል ክተብሎ ኣለካ፤ እንተምሪርካ ሓዘን ኢኻ ትውስኽ። ሓቁ ንገረና እንተይልኩም ግን ሰብ ክሓምምን ክጭግሞን እንከሎ ክትሓዝነሉ እዩ እቲ ግቡእ። ምስ ሞተ ድኣ ዘይምለስ\" ይብሉ። ኣቶ ዳርሶ፡ ናይ ሃፍታምን ድኻን ሓዘን ግን ኣፈላላይ ኣለዎ'ዶ? \"ኣዳለውቲ ናይ ሃፍታም ሓዘን ብዙሓት'ዮም፤ ናይ ድኻ ግን እቲ ቀሺ'ውን ብስርዓት ፍትሓት ኣይገብረሉን። ስቕ ኢሉ ኣባኺኑ ወሲዱ'ዩ ዝድርብዮ። ናይ ሃብታም ግን ኣስክሬን ኣብ መገዲ እናኸደ ደው ኣቢሎም ሓዘን ክትቑስቑስ ይገብሩ። ሃብታም እንተኾይኑ'ማ [ኣስክሬን] ንሰዓታት'ዩ ዝጸንሕ\" ኢሎም። ማልቀስን ማዘንስ ለድሀ ነው ለኮረንጮ ለባሽ ሃብታምማ ሲሞት ይወጣል ነጭ ለባሽ ዐይኔን እኔን እናት፣ ሙላ ሙላይቱ ሙላ ሙላይቱ ለአንድያሽ ነው ወይ የበላሽ መሬቱ \"ኣቶ ደርሶ!\" \"ኣቤት!\" \"እንታይ'ማ ኣግኒዩኒ!\" ጉዳይ እንጀራ ኮይንኩም፡ ኣብ ናይ ዘይትፈልጡዎ ሰብ ሓዘን ክተድምቑ ከለኹም ግን እንታይ ዓይነት ስምዒት ይፈጥረልኩም? \"ግደፍ! እንጀራ ኣይኮነን። ዋይ . . . ስቕ ኢልና ነቲ ድኻ ከነጸናንዕ ኢልና ኢና እኮ ንበኪ ዘለና እምበር እንጀራ ዘይኮነ። ኣጋጣሚ ኣብ ከባቢና ሰብ እንተሞይቱ ወሲድና ቀቢርናዮ ኢና ንምለስ\"። ናይ እማንኩም ዲኹም? \"እግዚያአብሔርን! ኣነ እዚ ስርሐይ ኢለ ኣይሓዝኩዎን። ኣነ ንርእሰይ ሓላፊ እንድየ? ሕርካም ከይተቐበልና መዓልታዊ ክንደይ ድኻ ኢና ቀቢርና ንምለስ። ጽባሕ ንርእሰይ ክሓልፍ እንድየ፤ ግደፍ'ባ . . .!\"። ገንዘብ ኣይትቕበሉን? \"እንታይ'ዩ ዝብል እዚ ወዲ! ሕዚ ካብ ዝነብረሉ ከባቢ ሕርካም ተቐቢለ ኣይፈልጥን እናበልኹካ። ዝኾነ ሰብ ድኻ እንተኾይኑ ሓዘን ኣድሚቐ እየ ዝምለስ\"። ናጻ ኣገልግሎት ሂብኩም ትፈልጡ ማለት ድዩ? \"በል ጽናሕ ክነግረካ፤ ኣብዚ ከባቢ ሓይሊ ኣየር ሓደ ሰብ ሞይቱ ኣሎ ተባሂሉ ተደዊሉለይ ይኸይድ፤ ኮላይ ፈካሪ ሒዘ ከይደልካ። ሰበይቲ ምስ ወለደት ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲ'ዩ ሞይቱ። ኣነ ግን ሽዑ ዝሃቡኒ ገንዘብ ኩሉ ሂበያ እየ መጺአ\"። ናይ እማንኩም ዲኹም? \"ምችኣል ኣቦይ! . . . ኣታ ወደይ ኣነ'ውን እኮ ፈራሲ እየ። ትሕቲ መሬት ምእታይ'ዶኢ ክቐርየኒ'ዩ? ገንዘብ እንታይ ይገብረለይ? ፍቕሪ ሰብ እምበር ገንዘብ ድኻ እንታይ ይጠቅም?\" መቸስ፡ ቅር እንተዘይኢሉኩም ሓንቲ ሕቶ ክሓተኩም? \"ኣይይ . . . ኣይብለንን\" ሳንዱቕ ሬሳ ዝሸጡ ሰባት ስራሕ ዝሒሉ ይብሉ'ዮም። ንስኻትኩምከ 'ሎም ቅነስ ጸው ኢሉ' ትብሉ'ዶ? ሓቁ ሓቁ ነውግዕ። \"ዋይ ዋይ፡ ኣታ ሓወይ ታይ'ዶ ኾይንካ? እንታይ ክዓብሰለይ? ወዲ ሰብ ይሙት ኢሉ ዝጽሊ እንተሃልዩ ነውሪ ዘይፈልጥ'ዩ። ገንዘብ ዘይጠቅም። ፈጣሪ ዝሰርሖ ነገር ግዝኡ ሓልዩ'ዩ ዝመውት። ከመይ ኢልና ኢና ዕዳጋ ጠፊኡ ክንብልኸ?\" እሞ፡ ከምቶም ሳንዱቕ ሬሳ ዝሸጡ ኣይኮንናን ዲኹም ትብሉኒ ዘለኹም? \"ኣታዮ ግደፍ! ሳንዱቕ ሬሳ ዝሸይጥ ሰብ'ውን እኮ ስራሕ ጠፊኡ እንተይሉ እቲ ዘዳለዎ ሳንዱቕ ከይሸጦ መቕበሪኡ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ኣነ ግን . . . ዕድመ ሰብ'ሲ ከም ጽርጊያ እንተዝነውሕ እየ ዝብል\"። ኣብ ሓዘን ዓበይቲ ሰበ ስልጣን ተረኺብኩም ኢኹም? \"እወ! ኣብ ናይ ዶክተር ኣምባቸው ነይረ፤ ክነልቅስ ኣርፊድና። ፈኸራ'ውን ነይሩዎ። ንዑስ ብድምጺ መጉልሒ [ሞንታርቦ] እየ ሰሪሐሉ\"። እንታይ ኢልኩም ኣልቂስኩም? መጀመርታ፡ \"ዶ\/ር አምባቸውን አጅሬን ያየው ሰው እንደ ጥጋት በሬ መሀሉን ሲገምሰው\" ኢለ ፈኪረ። ትነብዑ ማለት ድዩ? \"ውይ ውይ ውይ ውይ! ዝሕንዝሕ እየ ዝነብዕ\"። እማንኩም ዲኹም? \"እመብርሃንን!! ስድራ ግዳያት ክርኢ ከለኹ ንብዓት'ዩ ዝወርደኒ፤ ይቕድመኒ። ኣብቲ ሓዘን ቈልዓ ትርኢ ትኽእል፤ ነዚ እናርኣኻስ የኽእለካ? ንገረኒ እስከ? ግን ኣቶ ደርሶ፡ ዝኸበደ ሓዘን ኣየናይ'ዩ? ናይ ውሉድ፣ ወላዲ ወይ ኣደ? \"ኣይ፡ ኩሉ ከብድኻ'ዩ ዝበልዐካ። ኩሎም፤ ኣቦኻ ካብ ኣዴኻ ንላዕሊ ዝኾነሉ ግዜ ኣሎ። ኣነ፡ ንኣቦይ'የ ዝወስድ። ኣደይ ሃሪማ ክትሰጎኒ እንከላ፡ ኣቦይ ጠቢሩ የምጽኣኒ። ሓዘን ከቢድ እንድዩ፤ ግን ክኣ ትኽእሎ። ዘይክኣል ነገር'ዶ ኣሎ'ዩ። ሰብ እማ እኽሊ በሊዑ ዘይርስዖ የብሉን\"። ኣቶ ደርሶ፡ ናብራ ኸቢሩ'ዩ ዘሎ። ኩሉ ነገር ይውስኽ ኣሎ፤ ንስኻትኩም'ከ ዋጋ ኣይትውስኹን? \"እንታይ ኢልና? ሰብ ናብራ ጸር ጸር ኣቢልዎ እናሃለወስ ክንውስኸሉ? ከም ዓቕምኻ ይንበር እዩ፤ ግን ዋጋ ምሸላ ልዕሊ 1700 ኮይኑ፣ ዘይቲ 600 ብር በጺሑ። ነዚ ቑሊሕ ኢሉ ዝርኣዮ ዘሎ'ዶ ይመስለካ። ዓዳጊ'ዩ ዝነብዕ ዘሎ። ኣነ ነቲ ቁርሲ በሊዑ ምሳሕ ዘይደግም እየ ዝሓዝን። ክፉእ ግዜ . . .\"። ዋጋ ትውስኹም ዲኹም ኢለ እየ ሓቲተኩም ነይረ? \"ክሳብ ሕጂ በቲ ዝጸንሐ ኢና ዘለና፤ ምችኣል ኣቦይ። ብሓደ ሽሕ ብር እየ ዝሰርሕ\"። ናብ ወጻኢ ተጸዊዕኹም ትፈልጡ'ዶ? \"ካብዚ ክልል ወጺአ ኣይፈልጥን፤ እዚ ስራሕ ኮይኑ ሞይቱስ ዓለም ክንዘረሉ? ኣይኽየዶን። ስቕ ኢልና ናብ ጎንደር፣ ብናት፣ አዲስ ዘመን፣ ዘጌ፣ ዳንግላ፣ ደብረወርቅ፣ ብቸና ኢና ንኸይድ። ካብኡ ኣይሓልፍን። ኣብ ባህርዳር 8 ኣለና፤ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ'ውን ኣላ። ኣብዚ ክልል ቀዳሞት ንብሃል ግን ኣርባዕተ ኢና። ኣነ፣ ጓዴ፣ ይታየውን አስናቀው ኢና፡፡ ብፍላይ ሞንታርቦ ክንሕዝ ከለና መሬት ብእግራ ኢና ጠጠው ነብላ\"። ሞንታርቦ ዲኹም ዝበልኩም? \"ብማይክ ነልቅስ ኢና። ዝሓለፈ ሰንበት ብማይክ ኢና ኣልቂስና\"። ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ውሽጢ 19 ዓመት ክንደይ ሰብ ቀቢርኩም? \"ኣይይ! እንታይ ኢልካ ክቑጸር? እንታይ መዓት ኣምጻእኻለይ ደወይ?\" 2ሽሕ? 3ሽሕ? 5ሽሕ? \"ክኸውን ይኽእል'ዩ፤ ሰብ ከም ቖጽሊ እንድዩ ዝረግፍ። ዝኾነ ግዜ ኮሮና ምስ መጽአ ኣብ ወርሒ 17 ሰብ ቀቢረ። ኣይሰልቸወንን። በዓልቲ ቤተይ'ውን ኣልቃሲት'ያ\"። ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ምስ ሞተ ኣልቂስኩም'ዶ? \"አሳምነው ጥጌ የክልሉ በሬ፣ አሳምነው ጥጌ ብጠቅሰው ብጠቅሰው ዝግት ብሎ ቀረ፣ ይወጣል ያልኩት ሰው\" በኮሮና ለሞተ ምን ብለው ያስለቅሳሉ? ጤና ጣቢያ ብንሄድ ወባ ነው ይላሉ፣ ሆስፒታል ብንሄድ ስኳር ነው ይላሉ፣ ክሊኒክ ብንሄድ ግፊት ነው ይላሉ፤ ኮሮና ይላሉ፣ አያድኑም እንጂ ስም ማውጣት ያውቃሉ፡፡ በሉ ኣቶ ደርሶ ይኣኽለና፤ ቅድሚ ምፍልላይና ግን ንሞት ብቐረባ ስለ እትፈልጡዎ ከመይ ኢልና ምስ ሞት ተሳኒናን ክንነብር ከም እንኽእል ንገሩኒ። \"ሞት እኮ ተራ ነገር'ዩ፤ ፈጣሪ እንተወሲዱካ፡ ኣይመልሰካን። እንተጸዊዑካ፤ በቃ'ዩ። ኣብ ሰሙን ሸውዓተ ሰብ ዝቐበርናሉ ግዜ ኣሎ። ሽዑ ፈጣሪ ተዓረቐና ኢልና ለሚንና ኢና\"። እባክን አምላኬ አንገትክን አትድፋ አንተ ማረን እንጂ እኛ ብናጠፋ እመቤቴ ማርያም ልጅሽን ተቆጪው አንቺን እንዴት ጨነቀሽ አንድሽን ብታጪው \"እንታይ ክብል ደልየ እየ . . . ፍቕሪ'ዩ ዘዋጽአና። ፍቕሪ መድሃኒት ሞት'ዩ\"። በሉ፡ ብሞት ዘይኮነ ብህይወት የራኽበና! ኣሜን ዝወደይ! ኣሜን!","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60871090"} {"headline":"ህዝቢ ኩናማ፡ “ብዙሕ ሓጐጽጐጽ ዘሕለፈ ህዝቢ”","content":"ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቅድሚ 28 ዓመታት ክብርን መሰልን እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ “ደቀባት” ንምሕላው፡ ን “09 ነሓሰ” ከም ዓለማዊ መዓልቲ ደቀባት ተባሂላ ክትክበር ወሲኑ። ሎምዘበን ከኣ “ተራ ደቀንስትዮ ኣብ ምዕቃብን ምትሕልላፍን ፍልጠት” ብዝብል ቴማ ተዘኪራ ውዒላ። ቢቢሲ ትግርኛ እምበኣር ኣብዚ ታሪኻዊ ዕለት ኣፈናዊ ድሕረ ባይታን ሃለዋትን ብሄረ ኩናማ ኣብ ኤርትራ ብዝምልከት ምስ ተወላዲ እቲ ብሄረ ዮና ጀርማኖ ኣዕሊሉ ኣሎ፣ እቲ ዝርዝር እነሆ። ህዝቢ ኩናማ ጓስዩን ሓሪሱን ዝነብር፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ባህሊ፡ ቋንቋን ክብርታትን ዘለዎ ኣብ ምዕራባዊ መታሕት ኤርትራን ትግራይን ዝነብር፡ ናይ ካልእ ዘይደሊ፡ ዘሎዎ ተኻፊሉ ዝነብር፡ ብማዕርነት ናብራኡ ዘካይድ፡ ንማሕበራዊ ጕዳያቱ ኸኣ ሓቢሩ ዝፈትሕን ዘሰላስልን ሕብረተሰብ’ዩ ክብል ዮና ንብሄሩ ብሓበን ይገልጽ። ህዝበ ኩናማ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ቀዳሞት ደቀባት እዩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከኣ ኵለን ኣባል-ሃገራት ደቀባተን ንዘበርከትዎ ትውፊት ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ኣብ ትምህርቲ፡ ባህሊ፡ ቊጠባውን ማሕበራውን ምዕባለ ክዓያን ክጉስጕሳን እዩ ነታ ዕለት ሓርዩዋ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት፡ 09 ነሓሰ ከኣ ምስ እዋናዊ ኵነታት ብዝተሓሓዝ ንጥፈታትን ኣገዳሲ ሓበሬታን ብምዝርጋሕ ትበዓል። መንግስቲ ኤርትራ እውን ንቡዙሕ ካብቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝዝከርን ዝኽበርን ኣህጉራዊ መዓልቲ ይስዕቦን የብዕሎን እዩ። ህዝቢ ኩናማ ንነዊሕ ዘመናት ግዳይ ኣድልዎን ዓመጽን ከም ዝዀነ ኣብ ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ ታሪኽ ተሰኒዱ ይርከብ። ንኣብነት ጂያኒ ዶረ፡ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ጣልያን ምርምራት ዘካይድ ኢጣልያዊ ተመራማሪ፡ ኣብ ኢንሳይክሎፒድያ ኤትዮፒካ ብዛዕባ ታሪኽን ባህልን ስርዓትን ከምኡ’ውን ወጽዓን ህዝቢ ኩናማ ከምዚ ክብል ጽሒፉ ይርከብ። ካብ መበል 16 ክፍለ-ዘመን ጀሚሩ ዓመጻዊ ግፋ ኩናማ (ንባርነት) ከም ዝነበረ፡ ቀጺሉ ክሳብ መበል 19 ክፍለ ዘመን፡ ብዘመን ግብጻውያን ምዃኑ’ዩ፣ እቲ ግፍዕን ሕሰምን ከም ዝወሰኸ ይትርኽ። ብ1861 ቨርነር ሙዚንገር ንምድሪ ኩናማ በጺሑ ነይሩ’ዩ። ንሱ ስዊዘርላንዳዊ ዀይኑ ብዛዕባ ኤርትራ ዝነበሮ ፍልጠት ልዑል ስለ ዝነበረ ንፈረንሳን እንግሊዝን ዘማኽር ዝነበረ፡ ጸኒሑ ኸኣ ብግብጺ ተቘጺሩ ከም ኣመሓዳሪ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኰይኑ ዝሰርሐ ሰብ’ዩ ነይሩ። ጸኒሑ ብግዜ መግዛእቲ ጣልያን (1890) ስርሓት ሚስዮን መሊሱ ቀጸለ። ኣብ ማሕበረሰብ ኩናማ ኸኣ ትምህርቲ ወንጌል ክትኣታቶ ጀመረ። ይዅን’ምበር ህዝቢ ኩናማ በቶም ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ኣስላም ይዅኑ ክርስትያን ይደሃኽ ከም ዝነበረ ዝተሰነደ ታሪኽ የረድእ። ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኤርትራ ዝነበሩ ህዝበ ኩናማ፡ ብሰሜን ምስ ባርካ፡ ብምብራቕ ምስ ሰራየ፡ ብደቡብ ምስ ትግራይ፡ ብምዕራብ ድማ ምስ ሱዳን ይዳወቡ። እቶም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ቍጽሮም ልዕሊ 250ሽሕ ምዃኑ ይንገር። ኣብ ኢትዮጵያ ከኣ ልዕሊኡ ከም ዘለዉ ይግመት። ኣብ ኤርትራ ፍቕዳ-ህዝቢ\/ቈጸራ ህዝቢ ስለ ዘይተኻየደ ግን፡ ጭቡጥ ሓበሬታ ምቕራብ ኣሸጋሪ’ዩ። ቍጽራ-ህዝቢ፡ ሕልኽላኽ ዘይክነሱ ክሳብ ሎሚ ዘይምክያዱ ብዙሕ ሰብ ይዛረበሉ እዩ። ዓመታዊ ካብ 250-450 ሚ.ሜ. ዝናብ ዝረክብ፡ ኣስታት 28 ዲግሪ ሰንቲ ግረይድ ዝምቘቱ ብሩባ ጋሽን ሰቲትን ዝምገብ ገለ ክፋል ካብቲ ኩናማ ዝነብሩሉ መሬት ኣዝዩ ፍርያም እዩ። ባህልን ልምድን ሰብኣዊ ክብርታትን ህዝበ ኩናማን፡ ኣብ ታሪኹ፡ ካብ ውሽጥን ግዳምን ንዘጋጥሞ ጸገምን ሓጐጽጐጽን ንምድህሳስ ንዛንታ ዮና ጀርማኖ ሓደ ካብ ተወለድቲ እቲ ብሄር ዳህሲስና ኣሎና። ዮና፡ ወላዲኡ ጀርማኖ ናቲ፡ ገና ብቝልዕነቱ እንከሎ ኣብ ሰብዓታት ስለዝተኣስረ ወላዲቱ እያ ተጻጊማ ኣዕብያቶ። ዳሕራይ ካብ ቤት-ማእሰርቲ ሰምበል ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሓራ ምስ ወጽአ ብኡ ኣቢሉ ንሜዳ ስለዝኸደ ምስ እንዳ ኣቦሓጐኡ (ስድራ ኣደኡ) ከምዝዓበየ ይዝክር። ኣብ እዋን ቃልሲ ናጻነት ኤርትራ (1961-1991) ኣብ ከባቢኡ፡ ኣብ  ዓሊግድር፡ ተሰነይ፡ ባረንቱ ብርቱዓት ውግኣት ከምእተኻየዱን፡ ንተጋዳላይ ወላዲኡ ኣብ 1985 ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ባረንቱ ንፈለማ እዋን ከምዝተላለዮ ይዝክር። እዚ ብ1975 ጥቓ ዶብ ሱዳን ኣብ ዝርከብ ሰፊሕ መሬት ሕርሻ ዓሊግድር (ጋሽ-ባርካ) ዝተወልደ ወዲ ብሄረ ኩናማ፡ ሕጂ ን16 ዓመታት ኣብ ኣዮዋ (ሕ.መ. ኣ.) ዝበሃል ቦታ ምስ ሰበይቱን ደቁን ይነብር ኣሎ። “ኣደይ ዕድል ገይራ ተማሂራ’ያ፣ ንዓይ ሸቂላ እናዕበየት ንባዕላ ምሸት-ምሸት ትምሃር ነይራ። እዚ ናብ ባረንቱ ምስ ገዓዝና’ዩ።  ኣነን ኣደይን ሓቢርና ንመሃር ኔርና ክብለካ እኽእል” ይብል ዮና። “ምስ ዓበኹ፡ ኣነ ኣብ ኣገልግሎት ከለኹ ማለት’ዩ፡ ንሳ ኣብ ነርሲን ቤት-ትምህርቲ ኣትያ ተመሪቓ፡ ክኢላ መሕረሲት’ያ” ኢሉ ንኣደኡ ብሓበን ይዝክረን። “ኣነ ብቤተ ክርስትያን ካቶሊክ እናተምሃርኩ’የ ዓብየ፣ እነሀኹ ኣብ ዓዲ ስደት ኰይነ ደቀይ አዕቢ ኣለኹ“ ኢሉ ዝን ይብል። “ብሓፈሻኡ ንሕና ኩናማ ምስ መሬትና ጽኑዕ ምትእስሳር ስለ ዘለና፡ ኣርሒቕና ኣይንስደድን ኢና፤ ህዝብና ብዘጓነፉዎ ሽግራት ግን ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብብዝሒ ሰጊሩ’ዩ ክብል እኽእል። ሕጂ ኸኣ ከም ሰብና ኣርሒቕና ንስደድ ኣለና” ኢሉ። “ኣቦይ ኣብ ቤት-ትምህርቲ እንዳ ጥልያን (ኣብ ኣስመራ) ተመሪቝ ጽቡቕ ስራሕ ዝነበሮ ሰብ’ዩ። ርግጽ’ዩ ብፖለቲካ ጕዳይ ተኣሲሩ ከርተት ኢሉ’ዩ። ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ገድሊ’ዩ ተሓዊሱ። እንሆ ኸኣ ድሕሪ ናጽነት፡ እቲ ዝተጋደለሉ ውድብ ኣሲሩ ከርተት የብሎ ኣሎ” ብምባል ዝን ድሕሪ ምባል፡ “ብዛዕባ ህዝቢ ኩናማ’ዶ ከነዕልል?” ብማለት ነቲ ዕላል ክልውጦ ደለየ። ዮና ብመንነቱ ኣዝዩ እዩ ዝሕበን። “ኣነ ታሪኸይ፡ ባህሊ ኣቦታተይን ኣቦሓ ጐ ታተይን፡ ቋንቋይ ስለ ዝፈልጥ፡ እቲ ሕብረተሰብ ኩናማ ሓብሒቡ ዘዕበየኒ ስለ ዘስተማቐርኩ ብመጠኑ ጽቡቕ’የ ዓብየ፣ ኣዝየ ሕጕስ’የ። በቲ ካልእ ሸነኹ ድማ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኩናማ ዝተፈጸመ ግፍዒ እፈልጦ ስለ ዝዀንኩ ኣዝዩ የሕዝነኒ” ይብል። “ርግጽ’ዩ፡ ዘሰክፈኒ ነገር ኣሎ” ኢሉ ኸኣ ብስክፍታኡ ይዛረብ።  “ህዝቢ ኩናማ ሓላዪ የብሉን ክብል እኽእል። ዝገፍዖን ዝጥቀመሉን’ምበር ዝጣበቐሉን ዝከላኸለሉን የለን፤ ኣብ ስልጣን መንግስቲ ኸኣ ዝውክሎን ዝማጐተሉን ኣካል የለን ክብል እደፍር ... እዚ የተሓሳስበኒ፡ ” ይብል። ዮና፡ ባህርያትን ድልየትን ህዝቢ ኩናማ ከምዚ ይመስል፡ ዝጥቀመሉ ስርዓትን እምነትን ድማ ከምዚ ይመስል ኢሉ ብዝርዝረፍ ዝፈልጥ ሰብ ዳርጋ ከምዘየለ ይገልጽ። እቶም ሰበስልጣን’ውን እንተዀኑ ኣፈታትሓ ሽግር ኩናማ ስለ ዘይፈልጥዎ ሕጊ መንግስቲ ከምዚ’ዩ እናበሉ ስለዘጓጥጡሉን ዝደፍርዎን ህዝቢ ኩናማ ተገሊሉ እዩ፡ ኢሉ ይዛረብ። ንኣብነት ደቂ ኩናማ ንከበሳ ደዪቦም ክሓርሱ እንተዝፍትኑ፡ ወይ ከኣ መሬት እንተ ዝማስሑ፡ ህዝቢ ከበሳ እንታይ ምበለ ዘይኰነስ እንታይ ምገበረ እንተንብል “ኣነ ናዕቢ ምተላዕለ ኢለ እኣምን ብኣንጻሩ ግን መሬት ኩናማ ብደገፍ መንግስቲ ንዅሉ ክፉት ኰይኑ ኣሎ ብማለት ተወሳኺ ቅሬታኡ የስምዕ። ርግጽ’ዩ፡ ነፍስሄር ፕሮፈሰር ኣለክሳንደር ናቲ፡ ብዛዕባ ህዝቢ ኩናማ ኣዕሚቝ ዝተመራመረን ጸገማቶም ብጽሑፍ ዘቕረበን ምሁር፡ ነዚ ጕዳይ’ዚ ዘርዚሩ ኣብ ጽሑፋቱ ኣቕሪቡዎ’ዩ። እቶም ቀደም ጥሪቶም ጓስዮም ንመሬት ኩናማ ዝወርዱ ዝነበሩ፡ ብእዋን ክረምቲ ድማ ንዓዶም ዝድይቡ ዝነበሩ ጓሶት፡ ሕጂ ብሰፈራ (settlement) ኣብ መሬት ኩናማ፡ እሞ ኸኣ ምስ ህዝቢ ኩናማ ከይተመያየጡን ከየፍተዉን፡ ኣብቲ ከባቢ ሰፊሮም ከም ዘለው ይገልጽ። ዮና’ውን፡ “ካብ ከበሳ ዝመጹ፡ ብዘይ ገለ ልዝብን ስምምዕን ኣብ መሬት ኩናማ ቀዋሚ ዓድታት መስሪቶም ይነብሩ ኣለዉ። ህዝቢ ኩናማ ኸኣ ብሓይሊ እናተደፍአ ድንግል መሬት ቆጥቊጦም ንኽነብሩ ይግደዱ ኣለዉ። እዚ ፍትሓዊ ኣይኰነን፡” ብማለት ይዛረብ። ዮና ፍልይ ዝበለ ኣብነታዊ ባህሊ ኩናማ ብፍላይ ከኣ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ኩናማ ዝምልከት የዕልል። “... ኣብ ሕብረተሰብና ጓል ኣንስተይቲ፡ ብተነጻጻሪ፡ ክብርቲ’ያ። ምርዕውቲ እንተድኣ ኰይና ኣብ ባይቶ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ድምጻ ኣልዒላ ክትዛረብ መሰላ ሕሉው’ዩ ... እዚ ዘበን-ኣምጽኦ ምዕባለ ዘይኰነስ ንዘመናት ሒዝናዮ ዝተጓዓዝና ባህሊ’ዩ። ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብዝዀነ ምኽንያት እንተተቐትለት፡ ጓል ኣንስተይቲ ብምዃና ዕጽፊ ጋር ነብሲ ኢኻ ትኸፍል” ብማለት እቲ ብሄር ንደቂ ኣንስትዮ ዘለዎ ክብሪ የረድእ። መሬት ኩናማ ኣብቲ ቀንዲ ምህርቲ እኽሊ ዝሕፈሶ ሃብታም መሬት ኤርትራ፡ ኣብ ምዕራባዊ መታሕት እዩ ዝርከብ። እቲ ፍርያም መሬት ናይቲ ከባቢ መንግስቲ ብዘይ ገደብ ንወፍሪ ስለዝጥቀመሉ እቲ ህዝቢ ካብቲ ልሙዕ መሬቱ ይድፋእ ከምዘሎ ዮና ይገልጽ። “ትሕዝቶን ትምህርትን ህዝቢ ኩናማ ኣማዕቢልካ ክብ ዝበለ ምህርቲ ንከበርክት ኣብ ክንዲ ምግባር፡ ካልኦት ሰባት ኣብ መሬት ኩናማ ከም ዝሰፍሩ ጌርካ፡ ንወደ’ባት ደፊእካን መሬቱ መንዚዕካን ከተዋስኖ ኣይመድለየን” ይብል። ብተወሳኺ እቲ ዞባ ብርክት ዝበሉ ውግኣት ኣሕሊፉ’ዩ። ሓያሎ ካብ ውግኣት-ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን (1998-2000) ኣብቲ ብምድረ ኩናማ ዝጽዋዕ ከባቢታት ስለዝተኻየደ እቲ ህዝቢ ተኸላቢቱ እዩ። እቶም ውግኣት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኩናማ ከቢድ ሽግራት ስለዘኸተሉ ብዙሕ ህዝቢ ተሰዲዱ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሽመልባ ተዓቝቡ ይነብር ነይሩን ኣሎን። ሽመልባ፡ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራ፡ ከመይ ኢላ ከም ዝተፈጥረት፡ እቶም ኣብኡ ዝተዓቝቡ ቀዳሞት ስደተኛታት ካብ ውግእ ባድመ ዝሃደሙ ደቂ ኩናማ ከም ዝነበሩ ዮና የዘንቱ።  ሽመልባ ካብ ጥቓ ሽራሮ (ክልል ትግራይ) ዝርከብ መዓስከር ኰይኑ፡ ካብ ዶብ ኤርትራ 45 ኪ.ሜ. ርሒቓ ትርከብ። “ኣነ ዝነበርኩሉ፡ ከም ኣስተርጓማይ ዝነጠፍኩሉ፡ ስደተኛ ህዝቢ ኩናማ ዘጋጠሞ ሽግር ብዓይነይ ርእየዮ’የ።  ብመጀመርታ እቶም ካብ ውግኣ ባድመ ሃዲሞም ኣብ ሽመልባ ዝተዓቝቡ ስደተኛታት ‘ናይ ኤርትራ ኩናማ ኢኹም’ ተባሂሎም ምስቶም ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነብሩ ደቂ ኩናማ ኣሕዋቶም ከይሕወሱ ብኢትዮጵያ ተኸልኪሎምን ተኸላቢቶምን’ዮም። “ካልኣይ፡ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር. (ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት) ደቂ ኩናማ ንኤርትራ ዝምለስሉ መዳያት ክድህስስ ምስ ጀመረ መንግስቲ ኤርትራ ነጺጕዎ። እቲ ሳልሳይ ምርጫ ኸኣ ደቂ ኩናማ ንሳልሳይ ሃገር ክግዕዙ ነበረ። እዚ ኣነ ባዕለይ እቲ ነቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ ኩናማ ነቲ ደብዳበ ተርጕመ ከንብበሎም እዝከረኒ” ይብል። “ሽዑ’ዩ ህዝቢ ኩናማ ኣርሒቑ ንኽሰደድ ዝተገደደ ... ይዅን’ምበር፡ እቶም ዓበይትና ዝገበርና ገርና ንዓድና ናብ መሬትና ኢና ንምለስ ክብሉ፡ እቲ መንእሰይ ከኣ ነቲ ዕድል ተጠቒሙሉ ... ካብቶም ሽዱሽተ ሽሕ ንኸውን ደቂ ኩናማ፡ 1,200 ንኣክል ጥራይ ኢና ኣርሒቕና ተሰዲድና ... ንካናዳ፡ ኣሜሪካ፡ ኣውስትራልያ\/ኒውዚላንድ፡ ኤውሮጳ ተጓዒዝና” ክብል ተዘክሮታቱ ይጽብጽብ። “ሕጂ ኣብ ኣሜሪካ ጥራይ እንርከብ ደቂ ኩናማ ቍጽርና ናብ 5,000-6,000 ስድራቤታት ንህሉ ኢለ እግምት” ክብል የረድእ። “እቲ ዘገርም” ይብል ንሱ፡ “ኣብ ሱዳን ብዙሓት ደቂ ኩናማ ኣለዉ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተረፉ’ውን ነይሮም። ይዅን’ምበር፡ እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝተረፉ፡ ናብ መሬቶም ክምለሱ ንዓመታት ዝጽበዩ ዝነበሩ ደቂ ኩናማ ብዙሕ ኣይሰለጦምን። እዚ ሕጂ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ውግእ ምስ ተወልዐ ኸኣ ተወሳኺ ሕንፍሽፍሽ ተፈጢሩ’ዩ፡” ኢሉ ነቲ ገና መዕለቢ ዘይረኸበ ጕዳይ ኩናማ ይዛረብ። ብኣንጻሩ፡ ዮና በቲ ሕጂ ዘለዎ ናይ ባዕሉ ኵነታት የመስግን’ዩ። ጽቡቕ ሓዳር ኣለዎ፡ ደቁ ብሰላም ይመሃሩሉ ከም ዘለዉ ዕግበቱ ይገልጽ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c88514mjny9o"} {"headline":"ከምዝተፋትሐት ኣብ ቲክቶክ ድሕሪ ምዝራባ ብሰብኣያ ዝተቐተለት  ሳንያ","content":"ሳንያ ካሃን፡ ነቲ ቅሳነት ዘይነበሮ ሓዳራ ምስጠንጠነቶ ገለ ኣባላት እቲ እትውለደሉ እስላማዊ ማሕበረሰብ ደቡብ እስያ፡ ህይወታ ከምዘበላሸወት እዮም ቈጺሮምዋ። ኣብ ቲክቶክ ግን ካብ ዘይትፈልጦም ሰባት ሓገዝን ምጽንናዕን'ኳ እንተረኸበት፣ እዚ ግን እቲ ዝፈትሓቶ ሰብኣይ ተመሊሱ መጺኡ ክሳብ ዝቐትላ ጥራሕ እዩ ነይሩ። (መጠንቀቕታ፡ እዚ ዛንታ ገለ ዝርብሽ ትሕዝቶ ክህልዎ ይኽእል እዩ።) ሳንጣኣ ጠርኒፋ፡ ነጻነታ ክትረክብ ቀሪባ ነይራ። ጓል 29 ዓመት ሳንያ ካሃን ኣብ ሓምለ 21፡ ነታ ዘይሕጕስ ህይወት ሓዳር ዘሕለፈትላ ኣሜሪካዊት ግዝኣት ቺካጎ ገዲፋ ብምውጻእ ኣብ ትውልዲ ዓዳ ቻታኑጋ፡ ህይወታ 'ሀ' ኢላ ንምጅማር ወጢና ነይራ። እንተዀነ ኣብቲ ዕለት ብሳንዱቕ ሬሳ እያ ናብቲ ኣብ ቴነሲ ዝርከብ ገዛኣ ተመሊሳ። ፖሊስ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ኣብቲ ምስ ሰብኣያ ነበር ወዲ 36 ዓመት ራሂል ኣሕመድ እትነብረሉ ዝነበረት ኣብ ቺካጎ ዝርከብ ገዛ ወዲቓ ረኺቦምዋ። ኣብ ድሕሪት ሸነኽ  ርእሳ ብጥይት ተወቒዓ ህይወታ ሓሊፉ'ዩ ነይሩ። እቶም ኣባላት ፖሊስ ኣብ ዝበጽሕሉ ድማ ኣሕመድ እውን ንገዛእ ርእሱ ብሽጉጥ ኣጥፊኡ። ኣብ 'ቺካጎ ሳን-ታይምስ' ዝወጸ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፡ እቶም መጻምዲ “ኣብ ከይዲ ፍትሕ” ዝነበሩ ኰይኖም፡ ኣብ ካልእ ግዝኣት ምንባር ጀሚሩ ዝነበረ ኣሕመድ፡ ነቲ ሓዳር “ከድሕን” 700 ኪሜ ተጓዒዙ መጺኡ። እቲ ዘሕዝን ነፍሰ ቅትለት ዝሓወሰ ፍጻመ ግን መዛዘሚ ታሪኽ እታ ፓኪስታናዊት-ኣሜሪካዊት ሰኣሊትን ኣብ ሓዳር ንዝብደላ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቲክቶክ ወጺኣ ድምጺ ብምዃን ተፈላጥነት ረኺባ ዝነበረትን ሳኒ ካሃን ኰይኑ። ሞት እታ ንእስቲ ንብዙሓት ዘሰንበደ ክኸውን እንከሎ፡ ካብቲ ንሳ እትውለደሉ ማሕበረሰብ ደቡብ እስያ ዝመጻ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ቅሳነት ኣብ ዘይብሉ ሓዳር ክጸንሓ ዝግበር ጸቕጢ ክስመዐን ከምዝገበረ ገሊጸን። ብሪያና ዊልያም ዝተባህለት ናይ ዩኒቨርሲቲ መሓዛኣ፡ “29 ዓመታ ቀዳውየይን ሓድሽ ህይወትን እዩ ትብል ነይራ” “ደስ ኢልዋ ነይሩ” ትብል። ሳንያ ኣብ ጥቓኣ ንዝነበሩ መሓዙታ ባህታን ሓጎስን እትፈጥር ሰብ እያ ነይራ። “ዋላ ንባዕላ ከቢድ እዋን እናሕለፈት፡ ንሳ እያ ቀዲማ መዓልትኻ ከመይ ኣሎ ኢላ ክትሓተካ እትድውል” ትብል ካልእ መሓዛኣ መህሩ ሸይክ። ሳኒ ኣብ ኢንስታግራም ንፎቶግራፍ ዘለዋ ፍቕሪ ኣመልኪታ ኣብ ዝጸሓፈቶ፡ “ሰባት ኣብ ቅድሚ ካሜራ ንባዕሎምን ንሓድሕዶምን ከፍቅሩ ይሕግዝ” ኢላ ነይራ። እታ ንእስቲ ናይ መርዓ፡ ጥንስን ካልኦት ጽምብላትን ሓዊሱ ንመሓዙታን ብዙሕ ገንዘብ ንዝኸፍሉ ዓማዊልን ስኢላ እያ። “ኣብ ድሕሪ ካሜራ ክትከውን እንከላ እዩ ህይወት ዝህልዋ” ትብል መሓዛኣ መህሩ። ኣብ ህይወታ ሓጐስ ክትውስኽ ባህጊ ዝነበራ ሳንያ፡ ነቲ ንሓሙሽተ ዓመታት ኣፍቃሪኣ ዝነበረ ኣሕመድ ኣብ 2021 ተመርዕያቶ፤ ሓቢሮም ድማ ናብ ቺካጎ ከይዶም። ድሙቕን ዓቢይን ናይ ፓኪስታን ዓይነት መርዓ ከምዝደገሱ እትገልጽ ሓንቲ መሓዛኣ፡ እቲ ሓዳር ግን “ኣብ ሓሶትን ምድንጋርን ዝተመሰረተ እዩ ነይሩ” ትብል። መሓዙት ሳንያ፡ ኣሕመድ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ከምዝነበሮ እየን ዝገልጻ። ቅድሚ ምምርዓዎም እውን ርክቦም ብርሑቕ እዩ ዝነበረ። ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ግን ኣሕመድ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ከምዘለዎ ከምዝተዛረባን ንሳ ድማ ህይወታ ውሑስ ከምዘይኮነ ክስመዓ ከምዝጀመረን መሓዙታ ይዛረባ። ስድራ ሳንያ ኣብዚ ዛዕባ ሓሳብ ክህቡ ቢቢሲ ዘቕረበሎም ሕቶ ኣይተቐበሉዎን። ካብ ስድራ ኣሕመድ እውን መብርሂ ምርካብ ኣይከኣለን። ኣብ ኣሜሪካ ሰሙናዊ ኣስታት 12 ቅትለትን ርእሰ ቅትለትን ዝፍጸሙ ኰይኖም እቲ ክልተ ኢድ ኣብ መንጎ ፍቝራት ወይ ሰብ ሓዳር ዘጋጥም ከምዝዀነ ሓበሬታ ማእከል ፖሊሲ ቫዮለንስ የመልክት። ጸገም ጥዕና ኣእምሮን ኣብ ርክብ ዘጋጥሙ ጸገማትን፡ ኣብ ሓዳር ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ንዝፍጸሙ መጥቃዕቲታት ከም ቀንዲ ምኽንያታት ዝግለጹ ኰይኖም፡ ድሕሪ ፍትሕ ደቂ ኣንስትዮ መጻምደን ብዝነበሩ ሰባት ክቕተላ ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ ሰብ ሞያ ይሕብሩ። ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ሳንያ ኣብ ሓዳራ ጸገም ከምዘለዋ፡ ሰብኣያ ናይ ምድቃስ ጸገም ከምዘለዎን ባህርያቱ ከምዝቀያየርን ከምዝተዛረበት ዝዝክራ መሓዙታ፡ ሕክምና ንምርካብ ፍቓደኛ ዘይምንባሩ እውን ገሊጸን። ብሰንኪ እቲ እናኸበዳ ዝመጸ ጸገም፡ መሓዙታ ክትፈትሖ እኳ እንተመኸራኣ፡ ንሳ ግን ሰብ እንታይ ይብለኒ ዝብል ስክፍታ ከምዝነበራ'ውን ይሕብራ። ደንጉያ እውን እንተዀነ ብሓገዝ መሓዙታ ወረቐት ፍትሕ ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪባ፡ ናይ መወዳእታ መዕለቢ ንምርካብ ንነሓሰ ተቘጺራ። ድሕሪ እዚ እያ ኣብ ቲክቶክ ወጺኣ ተመኵሮኣ ክተካፍል ጀሚራ። ሓደ እዋን “ከም ሓንቲ ደቡብ እስያዊት፡ ፍትሕ ሓደ ሓደ እዋን ህይወትካ ከምዝተበላሸወ ክስመዐካ ይገብር” ዝብል ጽሑፍ ኣካፊላ ነይራ። በዞም እተቕርቦም ሓሳባት ኣዘራራቢት እናኾነት ዝመጸት ሳኒ፡ ኣብ ዝተቐትለትሉ እዋን ኣብ ቲክቶክ ልዕሊ 20 ሽሕ ሰዓብቲ ነይሮምዋ። ኣብ ዘቤታዊ ዓመጽ ዝሰርሕ ሓደ ትካል ቺካጎ፡ ዝኽሪ ሓደ ወርሒ ሞት ሳንያ ካሃን ብኢንተርነት ከምዘዳሉ ክሕብር እንከሎ፡ ዝተምሃረትሉ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ድማ ብስማ ዕድል ትምህርቲ (ስኮላርሺፕ) ከምዝጅምር ኣፍሊጡ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cpdxkvlxd91o"} {"headline":"ስለምንታይ እስላማዊ ኣከዳድና ኣብ ደቀንስትዮ ሰሜን ኣፍሪቃ እናወሓደ ዝመጽእ ዘሎ?","content":"ተንታኒ ሰሜን ኣፍሪቃ ማግዲ ዓብደልሃዲ ብዛዕባ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ማሕበራዊ ለውጥታት ብዝተሓሓዝ ነዚ ዝስዕብ ትዕዝብቲ ኣቕሪቡ'ሎ። እስላማዊ ነዊሕ ክዳን - ዕባያ - ዝለበሳን መጎልበቢ ርእስን ገጽን - ሕጃብ - ናይ ዝገበራ ደቀንስትዮ፡ ምስተን ሓጺር ክዳን (ጎና) ዝገበራ ናይ 1950ታትን 60ታትን ዘነጻጽር ስእልታት ደቂኣንስትዮ ሰሜን ኣፍሪቃ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዝርግሑ ይርኣዩ። ምዝርጋሕ ናይቶም ብንጽጽር ዝቐርቡ ዘለዉ ስእልታት፡ \"ሕብረተሰብ ዓረብ ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት እንታይ ከምዝኾነ ተመልከቱ\" ዝብል መልእኽቲ ዘመሓላለፍ'ዩ። ነቶም ነቲ ስእልታት ዝዝርግሑ ዘለዉ፡ ሃገራቶም ክሳብ ክንደይ ንድሕሪት ከምዝተመለሳን፡ ብምዕራባዊ ቅዲ ሂወት ንዝግለጽ ምዕባለን ዘመናውነትን ከምዝተሓሰማ ዝሕብር'ዩ። ብዓይኒ'ቶም ንዝሓለፉ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ኣብቲ ዞባ ዓቢ ጽልዋ ዝጸንሐም ዓቃባውያን ሓይልታት ግን፡ እቲ ኵነታት ብኣንጻሩ'ዩ ዝርአ። እቲ ባህላዊ ለውጢ፡ እስላማዊ መንነት ኣብ ሕብረተሰብ ዘሐድስ እወታዊ ተግባር ኰይኑ፡ ነቲ ብጸቕጢ መግዛእቲን ምዕራባዊ ቅዲ ሂወትን፡ ከምኡ'ውን በቶም ባህሊ ህዝቦም ዘጥፍኡ ምዕራባውነት ዝረዓሙ ላህመት ('ኤሊት') ናይቲ ሕብረተሰብ ዝተኣታተወ ባህላውን ማሕበራውን ወራር ዘወግድን እዩ። ካብ ሞሮኮ ክሳብ ግብጽን፡ ክንዮኡን፡ ጉዳይ \"እስላማዊ ኣከዳድና\"፡ ብፍላይ መጎልበቢ (ሕጃብ) እቲ ኣዝዩ ኣሰሓሓቢ ጨርቂ'ዩ ኰይኑ ጸኒሑ። ኣብቲ ዞባ ክተኣታቶ ዘኽኣሎ ሓደን ቀንዲን ረቛሒ ድማ፡ ምቕልቃልን ምዕዋትን እስላማዊ ፖለቲካ እዩ። እቲ ክስተት እስላማውነት ('ኢስላሚዝም') ተባሂሉ'ውን ይግለጽ'ዩ። ኣብ መላእ ሰሜን ኣፍሪቃ፡ ሓያላት ዝዀኑ እስላማውያን ምንቅስቓሳት ኣለዉ። ገሊኦም ናብ ስልጣን ዝመጹ ክዀኑ እንከለዉ፡ ገለ ድማ ከምቲ ኣብ ኣብ 1990ታት ኣብ ኣልጀርያ ዝተራእየ ስልጣን ክሕዙ ዝተቓረቡ እዮም። ካብ ስልጣን ምስተኣለዩ'ውን፡ ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዎም ጽልዋ ቀሊል ኣይኰነን። ብዙሓት ተዓዘብቲ ከምዝብልዎ ግን፡ እቲ ኵነታት ክልወጥ ጀሚሩ'ሎ። ነቲ ለውጢ ንምግምጋም ዘኽእል ፍሉጥ መንገዲ ድማ፡ ናብቲ ዝሓየለ ትእምርቲ እስላማውነት ዝዀነ ሕጃብ ኣቓልቦ ምግባር'ዩ። ብዙሓት ተዓዘብቲ ናይቲ ዞባ ከምዝብልዎ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት፡ መጐልበቢ ሕጃብ እናጐደለ ይመጽእ ኣሎ። 'ኣል-ዮም 24' ዝተባህለ መርበብ ዜና፡ ሰይድ ኢል-ዛጉቲ ዝተባህለ ጸሓፋይ ኣብዚ ቀረባ እዋን \"ኣብ ዓረባዊ ዓለምና፡ ብፍላይ ኣብ ሞሮኮ ሕጃብ ምኽዳን ብተዛማዲ ይጐድል ከምዘሎ ንምዕዛብ ከቢድ ኣይኰነን። እቲ ምንስሓብን ምንቍልቋልን ድማ ኣብ ምንቁልቋልን ምንስሓብን ናይቲ እስላማዊ ማዕበል ተባሂሉ ዝግለጽ ምንቅስቓስ ዝምርኮስ'ዩ\" ክብል ኣስፊሩ ነይሩ። መንእሰያት ደቂኣንስትዮ ሞሮኮ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃባኦ ርእይቶታት፡ ሕጃበን ብምውጽአን ብዛዕባ ዘጋጠመን ማሕበራዊ ጸቕጥታት፡ ምስርጣይን ክዛረባ ተሰሚዐን። እንተዀነ እቲ ጸቕጥታት ክእግደን ኣይክኣለን። ኣብ ቱኒዝያ፡ ሕጃብ ምግባር ኣብ ሓደ እዋን ከም መግለጺ ተቓውሞ'ዩ ዝርአ ነይሩ። ምኽንያቱ ብተኸታተልቲ ምልካውያን ስርዓታት እታ ሃገር ተኣጊዱ ብምንባሩ። ድሕሪ'ቲ ኣብ 2011 ዝተወልዐ ብ'ቀውዒ ዓረብ' ዝፍለጥ ህዝባዊ ናዕቢ'ውን፡ ንሓጺር እዋን ህቡብነት ኣጥርዩ ነይሩ። እንተዀነ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን መሊሱ እናዛሕተለ መጺኡ። ቱኒዝያዊት ጋዜጠኛ ሑዳ ኣል-ትራቡሊስ ኣብ ጋዜጣ 'ኣራቢክ ኢንደፐንደንት' ኣብ ዘቕረበቶ ጽሑፍ፡ ብዛዕባ ዝተሓላለኸ ሃቐነታት ምቕልቃልን ምንቍልቋልን ሕጃብ ኣብታ ሃገር ኣብሪሃ ነይራ። እታ ሃገር ካብ መግዛእቲ ፈረንሳ ናጻ ድሕሪ ምውጽኣ ኣብ ዝቐጸሉ ምልካውያን ስርዓታት፡ ሓቢብ ቡርጒባን ዚየን ኣል-ዓቢዲን በን ዓሊን፡ ሕጃብ መግለጺ ተቓውሞን ምሕሳምን ዓለማውነትን (ሰኲላሪዝም) እዩ ዝውሰድ ነይሩ። ጸኒሑ ድማ፡ ኣብ እዋን'ቲ ንእስላማዊ ምንቅስቓስ ኣናህዳ ናብ ስልጣን ዘደየበ ሰውራ ዓረብ 2011፡ ንሓጺር እዋን እናገነነ ክመጽእ ተራእዩ። ብሕጃብ ዝተሸፈነት ጓለንስተይቲ፡ ህዝቢ ቱኒዝያ ክኽተሎ ዘለዎ ኣብነት (ሞደል) ተባሂሉ ክወዓዋዕ'ውን ጀሚሩ ነይሩ። እንተዀነ፡ እስላማውያን ዝዓብለልዎ ፓርላማታት፡ ንጸገማት እታ ሃገር ምፍታሕ ምስተሳእኖ፡ ቱኒዝያ ናብ ዲቕ ዝበለ ቍጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው ድሕሪ ምሽማማ እናጐደለ መጺኡ። ኣብታ መበቆል ሕጃብ ተባሂላ እትግለጽ ግብጺ'ውን እንተዀነ፡ ምቕልቃልን ተዛማዲ ምንቍልቋልን ናይቲ መጎልበቢ ምስ ፖለቲካዊ ዕጫ ምንቅስቓስ ሕውነት ኣስላም (ሙስሊም ብራዘርሁድ) ዝተተሓሓዘ'ዩ። ደቀንስትዮ ግብጺ ንባህላዊ መሸፈኒ ገጽ ቅድሚ ኣስታት ሓደ ክፍለዘመን ደርብየንኦ'የን። ኣብ መፋርቕ መበል 20 ክፍለዘመን ድማ መጎልበቢ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ጠፊኡ ነይሩ። ኣብ መፋርቕ 1970ታት ግን፡ ፕረዚደንት ግብጺ ነበር ኣንዋር ሳዳት፡ ነቶም ኣብ ጸጋማዊ ዓለማዊ ፖለቲካዊ ክንፊ ዝተሰለፉ መቀናቕንቱ ንምግታእ፡ ንሕውነት ኣስላም ኣብ ዩኒቨርስቲታት እታ ሃገር ንጥፈታቶም ከካይዱ ቀጠልያ መብራህቲ ምስወልዓሎም ሕጃብ ዳግማይ ክቕልቀል ጀሚሩ። ጸጋማዊ ፓለቲካዊ ኣረኣእያ ዝነበሮም ቅድሚኡ ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ኣብ ሕብረተሰብ ግብጺ ቀሊል ዘይብሃል ጽልዋ ኣሕዲሮም ምንባሮም ይፍለጥ። ክሳብ 2013 ኣብ ዝነበረ እዋን ድማ፡ ንምስፍሕፋሕ ሕጃብ ዝገትአ ኵነታት ኣይነበረን። ኣብ 2013 ኣባል ሕውነት ኣስላም ዝዀነ ፕረዚደንት መሓመድ ሙርሲ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ። ምስቲ ኣንጻር ሙርሲ ዝተላዕለ ህዝባዊ ተቓውሞታትን ካብ ስልጣኑ ምስ ወረደን ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እስላማዊ ትእምርትታት ዘሎ ጽልኢ እናዓበየ መጺኡ፡ ብፍላይ ኣንጻር ሕጃብ ዝቐንዐ ጽልኣት ርኡይ ኰይኑ። ኣብያተ-መግቢ ነተን ተጐልቢበን ዝመጻ ደቂኣንስትዮ ኣገልግሎት ይሕርምወን ከምዘለዉ ዝገልጹ ጸብጻባት እናበዝሑ መጺኦም። መሐንበሲታት'ውን፡ ኣስላም ዝጥቀማሉ 'ቡርኪኒ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ መሐንበሲ ተኸዲነን ንዝመጻ ደቂኣንስትዮ ክእግዱ ጀሚሮም። ሎሚ ርኡይ ምንቁልቋል ሕጃብ ኣብታ ሃገር ኣሎ። እንተዀነ፡ ወድዓዊ መጽናዕታዊ ዳህሳስ ስለዘየሎ እቲ መርትዖ ቁንጫል'ዩ። ስለዚ፡ ሕጂ'ውን ሒጃብ፡ ኣብታ ሃገር ኣሰሓሓቢ ጉዳይ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ኣሜሪካ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ዘሎ ፍልልይ፡ ኣብ ግብጺ'ውን ጉዳይ ሕጃብ ተኣፋፊ ፖለቲካዊን ባህላውን ምትፍናን ዘስዕብ ጉዳይ'ዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሓንቲ ተመሃሪት ዩኒቨርሲቲ ብሓደ ምምርዓው ዝኣበየቶ ደላይኣ ብኻራ ምስተቐትለት ዝተራእየ ግብረመልሲ፡ ማዕረ'ቲ ቅትለት ዘሰንብድ'ዩ ነይሩ። እቲ ገበን ብዅሉ ሰብ ተፈንፊኑን ተዀኒኑን እዩ። እታ ግዳይ ዘይተጎልበበት ከምዝነበረት ምስተፈልጠ ግን፡ ርእይቶታት ክፈላለ ጀሚሩ። ሓደ ብቪድዮ ዝሰብኽ ፍሉይ ሰባኻይ፡ ተመሳሳሊ ዕጫ ከይበጽሐን ደቂ ኣንስትዮ ኣካላተን ብግቡእ ክሽፈና ከምዘለወን ተማሕጺኑ። \"ዋላ ብዘንቢል ገጽክን ተሸፈና\" ክብል'ውን ተሰሚዑ። እቲ ትመሃረሉ ዝነበረት ዩኒቨርሲቲ ንዝኽራ ኣብ ዘዳለዎ ስነስርዓት፡ ስእላ ተሰኒዑ ጉልባብ ከምዝህልዎ ብምግባር፡ ሕጃብ ትኽደን ከምዝነበረት ኣምሲሎማ። ክልቲኡ ተግባራት ድማ፡ ካብቲ ዓለማዊ ክፋል ሕብረተሰብ ግብጺ ተሪር ኩነኔን ተቓውሞን ኣስዒቡሎም። እቲ ነቲ ቅትለት ዝፈጸመ መንእሰይ ተሓኒቑ ክመውት ተፈሪዱ'ሎ። እንተዀነ፡ ብማሕነቕቲ ንኸይቅጻዕ ዝሕለቕ ጎስጓስ ተጀሚሩ። ነቲ ጎስጓስ መን ብድሕሪት ኰይኑ ይመርሖ ከምዘሎ'ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ኣብ ስደት ዝነብሩ ሃብታማት እስላማውያን ዝለዓለ ክፍሊት ዝሓትት ጠበቓ ብምቝጻር ነቲ ናይ ሞት ፍርዲ ይግባይ ይብልሉ ከምዘለዉ ይእመን። ነቲ ዅነታት ንምህዳእ፡ በቲ ኣብታ ሃገር ልዑል ክብሪ ዘለዎ ሃይማኖታዊ ትካል ኣል-ኣዝሃር ዝተወስደ ስጕምቲ'ውን ነቲ ጉዳይ ተወሳኺ ነዳዲ ነስኒስሉ'ዩ። ላዕለዋይ መራሒ ኣል-ኣዝሃር ግራንድ ኢማም ሼኽ ኣሕመድ ኣ'ጣይብ፡ ጓለንስተይ ሕጃብ ዘይምኽዳና ካብ መስመር ከምዝወጸት ኣይገብራን'ዩ፡ ንፈጣሪ ዘይተኣዘዘት ጥራይ'ዩ ዝገብራ ክብል'ዩ ተዛሪቡ። እቲ ንዓለማውያን ንምጽንናዕ ተባሂሉ ዝቐረበ መግለጺ፡ ንተሓለቕቲ መሰላት ደቀንስትዮን ካልኦት ዓለማውያን ጕጅለታትን ዘቘጥዐ ኰይኑ ተረኺቡ። ብሰንኩ ድማ፡ ሓድሽ ክትዕ ተጐሃሂሩ። ብሓደ ወገን፡ ሕጃብ ዘይፍለ ኣካል እምነት ምስልምና ከምዝዀነ ክምጕቱ እንከለዉ፡ ብኣንጻሩ ድማ እቲ ካልእ ወገን ነቲ መጎልበቢ ጨርቂ ክዅንን ተሰሚዑ። ዋላ'ኳ ሕጃብ ኣብቲ ዞባ፡ ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ዘለዎ ደገፍ እናተዳኸመ ዝኸይድ ዘሎ እንተመሰለ፡ ካብ እስላማዊ መንነት ክሕከኽ ዘይክእል'ዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ግን ኣብቲ ዞባን ካብኡ ወጻእን ሱር ዝሰደደ'ዩ። ኣብ ኣውሮጳ ከይተረፈ፡ መንግስታት ንሕጃብ ዝእግድ መምርሒታት ኣብ ዘውጽእሉ እዋን፡ ኲናት ኣንጻር እስላም ተገይሩ ስለዝውሰድ ተሪር ተቓውሞ ከስዕብ ይርአ። ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ኣብ ልዕሊ ሕጃብ ዝቐርብ ነቐፌታ'ኳ፡ ከም ጽልኢ-ኣስላም (ኢስላሞፎብያ) ወይ ድማ መጥቃዕቲ ኣንጻር መሰላት ውሑዳት'ዩ ዝውሰድ። ኣብ ገለ ሕብረተሰባት እስላም ከኣ፡ ኣካል ናይቲ ደቀንስትዮ ካብ ዓፋኒ ልምድታት ሓራ ንምውጻእ ዝካየድ ቅቡል ቃልሲ ምዃኑ'ዩ ዝቝጸር።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cl7evedj8zwo"} {"headline":"ንመንነቶም ዘለዎም ክብሪ ንምግላጽ ኣሽማቶም ዝቕይሩ ዘለዉ መንእሰያት ኦሮሞ","content":"ተወለድቲ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝለዓለ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዎ ብሄር ኦሮሞ ዝዀኑ መናእሰይ፡ ንመንነቶም ዝህብዎ ክብሪ ክብ እናበለ ይመጽኣሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ገለ ሰባት ኣስማቶም ናብ መበቈላዊ ኣሽማት ኦሮሞ ይቕይሩ ኣለዉ። ሞቲ በጊ፡ ሓደ ካብቶም ሽሞም ዝቐየሩ እዩ። እዚ ወዲ 40 ዓመት፡ ኣቐዲሙ ደረጀ በጊ ይበሃል ነይሩ። እንተኾነ ነቲ “ደልደለ” ዝብል ትርጕም ዘለዎ  ‘ደረጀ’ ዝብል ሽም ኣምሓርኛ ገዲፉ፡ ንጉስ ዝትርጕሙ ‘ሞቲ’ ዝብል ሓድሽ ሽም ወሲዱ። ብሞያኡ መሃንዲስ ዝኾነ ሞቲ፡ ሽሙ ዝቐየረ ንሱ ጥራይ ኣይኮነን፤ ካልኦት ሸውዓተ ኣዕሩኽቱ'ውን ንመንነቶም ዘለዎም ክብሪ ንምግላጽ፡ ኣብ ቀረባ ኣሽማቶም ናብ መበቈላዊ ስያመታት ኦሮሞ ቀይሮም እዮም። ኦሮሞቶት ብፍላይ በቶም ካብ ጐረቤት ክልል ኣምሓራ ዝወጽኡ ዝነበሩ ነገስታት ንዘበናት ብቛንቋኦም ክሓፍሩን ክሽቝረሩን ተገይሮም ነይሮም። እዞም ነገስታት ግዝኣቶም ሓድነት ክህልዎ ንምግባር ቋንቋ ኣምሓርኛ ሃገራዊ ቋንቋ ገይሮምዎ'ዮም። ምስቲ ኵነታት ንምጥዕዓም ድማ ብዙሓት ናይ ኣምሓርኛ ኣሽማት ክወስዱ ይመርጹ ነይሮም። ድሕሪ እቲ 1991 [ኣ.ኤ] ኣብታ ሃገር ዝተገበረ ፖለቲካዊ ለውጢ ግን፡ ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ኦሮሞ እቲ ዝነበረ ኣመለኻኽታ ተቐይሩ እዩ። “ከም ሓደ ኦሮሞ መንነተይ መሊስ ንምርካብ፡ እቲ ዝቐለለ ክገብሮ ዝኽእል ሽመይ ምቕያር እዩ” ይብል ኣቶ ሞቲ። ሞቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተገበረ ሓደ ናይ ስራሕ መወዓውዒ ነቲ ስጉምቲ ክወስድ ከም ዝደፋፈኦ እዩ ዝገልጽ። ቤት ጽሕፈት ጥዕና ክልል ኦሮምያ ክልተ ሽሕ ዶክተራትን ሰብሞያ ጥዕናን ንምቝጻር ኣብ ማዕከናት ዜና ክነግር እንከሎ፣ ኵሎም ተዛረብቲ ኦሮምኛ ክኾኑ ከም ዘለዎም ኣመልኪቱ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግን እቲ መጸዋዕታ፡ ቋንቋ ኦሮምኛ ብዘይዛረቡ ኢትዮጲያውያን ሓያል ተቓውሞ ገጢምዎ። እቲ ተቓውሞ ንሞቲ ሓያል ቊጥዐ ፈጢሩሉ፤ ምኽንያቱ ካብቶም ተቓወምቲ እቶም ዝበዝሑ ኣብቲ ተዛረብቲ ኦሮምኛ ዝነብሩሉ ክልል ዝዓበዩን ነቲ ቋንቋ ንምምላኽ ጻዕሪ ዘይገበሩን እዮም ዝብል እዩ። “እዚ እዩ ሽመይ ክቕይር ዝደረኸኒ፡” ይብል። ናይ ኦሮሞ ሽም ምጽሓፍ ዝኣበየት ነርስ እቶም ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ድሕሪ ውድቀት ደርግ ዝዓበዩ ኦሮሞቶት ሕውስዋስ ሽም ክወሃቦም እዩ ጸኒሑ። እዚ ድማ ዋላ'ኳ ኣምሓርኛ ሃገራዊ ቋንቋ ስራሕ ኰይኑ እንተቐጸለ፡ መንግስቲ ንማዕርነት ብሄራት ኣፍልጦ ብምሃቡን ህጻናት ብቋንቋ ኣደኦም ክመሃሩ ብምፍቃዱን ምዃኑ ተመራመርቲ ይገልጹ። ኦሮሞቶት ቈልዑ ኣሽማት ኣምሓርኛን ኦሮምኛን ክወሃቦም ጀሚሩ። ወዲ 32 ዓመት ኣብዲ ገመቹ ክሳብ 2005 ‘ግርማ’ ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ ነይሩ። ብቘልዓኡ ኣደኡ ክተኽትቦ ናብ መደብር ጥዕና ምስ ወሰደቶ፡ እታ ነርስ ኣብዲ (ብቋንቋ ኦሮሞ ተስፋ ማለት እዩ) ዝብል ሽም ኣብ መዝገብ ንምጽሓፍ ፍቓደኛ ብዘይምዃና፡ ኣደኡ ብዘፍታዋ ንወዳ ግርማ ዝብል ሽም ሂባቶ። ኣብ ገዛኡን መሓዙቱን ግን ኣብዲ እናበሉ እዮም ዝጽውዕዎ ነይሮም። “ነቲ ዝፈትዎ ሽመይ ኣብ ኵሎም ኣድለይቲ መዛግብተይ ብምርካበይ ሕጕስ እየ። እቲ ሽም ነቲ ሓቀኛ መንነት ኦሮሞ እዩ ዝውክል። ልዕሊ ዅሉ  ስድራይ ናይ ስርዓት ለውጢ ክህሉ ካብ ዝነበሮም ድልየትን ተስፋን እዮም ነቲ ሽም ሂቦምኒ” ይብል። ብቋንቋ ኦሮሞ ብዙሕ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈ ኢቢሳ ባይሳ እውን ተመሳሳሊ ታሪኽ እዩ ዘለዎ። ካብ ፈላሞት መጻሕፍቱ ሓደ ዝኾነ ‘ሚሊቶ’ ዝብል መጽሓፍ ስነልቦና፡ እንዳልካቸው ባይሳ ብዝብል ናይ ኣምሓርኛ ሽሙ እዩ ተሓቲሙ ነይሩ። እቲ ሽም ኣብ እዋን ዘመነ ሃይለስላሰ፡ ኣድናቒ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበረ እንዳልካቸው ብዝነበረ መሳርሕቲ ኣቦኡ እዩ ተዋሂብዎ። ንሱ፡ ዋላ'ኳ እንዳልካቸው ብዝብል ሽም ኣምሓርኛ ዝፍለጥ እንተነበረ፡ ኣብ ገዛኡን ከባቢኡን ግን ኢቢሳ (በረኸት) ብዝብል ሽም ኦሮሞ እዩ ዝጽዋዕ ነይሩ። ብዙሓት መጻሕፍቲ ምስ ጸሓፈን ተፈላጥነቱ ምስ ዛየደን ግን ብናይ ኦሮምኛ ሽም ክጽዋዕ መሪጹ። “ሓቀኛ ናይ ኦሮሞ መንነተይ ዝገልጽ፡ ኦሮምኛ ሽም ደልየ” ይብል። ሞቲ፡ መንነት ሓደ ማሕበረሰብ ንምጥፋእ ቋንቋኡን ኣሰያይማ ኣሽማቱን ምጥፋእ እቲ ዝቐለለ መንገዲ እዩ-መልሓሱ ከም ምቑራጽ እዩ- ኢሉ እዩ ዝኣምን። ንሱን ካልኦትን ኣሽማት ኣምሓርኛ ገዲፎም ዝተዓበሰ ማሕበረሰባዊ ድምጾም መሊሱ ክስማዕ ከም ዝገበሩ ከም ዝሰዖም እውን ይኣምን።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c19n993d874o"} {"headline":"ንጉስና ፈጺሙ ኣይመውትን'ዩ እትብል ሃገር","content":"ኣብ ሰሜን ምዕራብ ካሜሩን ንዝነብሩ ህዝቢ ማንኮን፡ እቲ ፎን ወይ ፎ ተባሂሉ ዝፍለጥ ንጉሶም ፈጺሙ ኣይመውትን። ስቕ ኢሉ ተሰዊሩ እዩ ዘሎ። ስለዚ፡ ዞባዊ ኣመሓዳሪ ኣዶልፍ ሌሌ፡ ነቲ ከም ነውሪ ዝቑጸር ባህሊ ብምስባር እቲ ወዲ 97 ዓመት ፎን ኣንግዋፎር ሳልሳይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ከም ዝሞተ ብምእዋጁ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ማንኮን ቁጥዐ ኣልዒሉ ኣሎ። ሓደ ፍሉጥ ኣባል ሕብረተሰብ ማንኮን ዝዀነ ባሪስተር ጆሴፍ ፍሩ ኣዋህ “ፎን ሓላዊ መሬት ማንኮን’ዩ፤ ንሱ ምንጪ ባህልናን መንፈሳውነትናን እዩ። ንሱ ኣብ ሞንጎ ጥንቲ፣ ሕጅን ድሓርን ዘሎ ድልድልና እዩ” ኢሉ። ብ1959 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ናብ ንግስና ዝደየበ ፎን ኣንግዋፎር ሳልሳይ ፈላማይ ትምህርቲ ምዕራብ ዝቐሰመ ንጉስ እዩ። ቀጺሉ፡ ኣብታ ዳርጋ ሕርሻ ኣካል መዓልታዊ ህይወት ብዙሓት ሰባት ዝዀነላ ሃገር ቴክኒሻን ሕርሻ ኣጽኒዑ። ልክዕ ከምቶም ካልኦት ንጉሳት ማንኮን፡ ብዙሓት ኣንስቲ ነይረንኦ፤ ባህሊ’ዩ። ብዝሒ ዝነበርኦ ኣንስቲ ግን ወግዓዊ ገይሩ ኣይፈልጥን። ኣስታት ዓሰርተ ክልተ ክዀና ከም ዝኽእላ ግን ይግመት፤ ዓሰርተታት ቈልዑ ክኣ ነይሮምዎ። ፎን ኣግዋፎር ሳልሳይ፡ በቶም በጥ ኢሎም ዝግዝእሉ ዝነበሩ ህዝቢ ጥበበኛ ንጉስ ሰለሞን ተባሂሉ’ዩ ዝውሰድ። ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ዝረኸበቶ ኤቨሊን ፈንግ “ወትሩ መምህር’ዩ ዝመስል፤ ክረኽቦ እንከለኹ መግብን ዋዛታትን ሒዘ’የ ዝምለስ” ትብል። ኣብ ልዕሊኡ ዝቐርቡ ነቐፌታታት’ውን ኣለው። ብ1960ታት ባዕዳዊ መግዛእቲ ከእክል እንከሎ፤ ኣብታ ሕጂ ዘላ ካሜሩን ኣብ ሞንጎ ኣብ ግዝኣት ኢንግሊዝን ፈረንሳን ዝጸንሓ ቦታታት ውህደት ክህሉ ኣለዎ ካብ ሞንጎ ዝበሉ እዩ። ማንኮን፡ ሓንቲ ካብተን ብዙሓት ተዛረብቲ ኢንግሊዘኛ ካሜሩናውያን ዝርከቡለን ዓበይቲ ግዝኣታት ኰይና፡ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ይነብሩላ። ገሊኦም፡ ተዛረብቲ ኢንግሊዘኛ ዝዀኑ ካሜሩናውያን ክግንጸሉ ኣለዎም ስለ ዝብሉ፡ ፎን ሳልሳይ ደጋፊ ውህደት ብምንባሩ ይቕረ ኣይብልሉን። ኣብ ካሜሩን፡ ካብ 1962 ክሳብ 1988 ብሕታውን ውልቃውን ፈላሚ ኣባል ባይቶ ብምዃን’ውን ኣገልጊሉ እዩ። ብ1990፡ ምኽትል ፕሬዝደንት ኰይኑ፤ ክሳብ “ዝስወር” ክኣ ኣብ ስልጣን ጸኒሑ። ነቐፍቱ፡ ከም ንጉስ ኣብ ሻራዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ተሳትፎ ክህልዎ ኣይምተገብአን ይብሉ። ንሱ ግን “ኣቦ ኩሉ” ስለ ዝዀንኩ ንህዝብታት ዕብየት ንምምጻእ እየ ናብ ፖለቲካ ኣትየ ይብል ነይሩ። ካውንስል ንግስና ማንኮን፡ “ምስዋር” እዚ ንጉስ ንምእዋጅ ሰለስተ ነዋሕቲ ሰሙናት እዩ ወሲድሉ። ክሳብ ሽዑ፡ ህዝቢ እቲ ከባቢ “ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ትኪ ኣሎ” እናበለ የጉረምርም ነይሩ። እቲ ንጉስ ንህዝቢ ኣብ ዘይተገልጸ ቅዱስ ስፍራ “ሓመድ ኣዳም ክለብስ እንከሎ” እቲ ህዝቢ ንጉስና “ተሰዊሩ” ይብል ነይሩ። ኣብ ማንኮን፡ ንጉስ ሞይቱ ተቐቢሩ ምባል ነውሪ’ዩ። ብ29 ግንቦት “ምጥፋእ” እቲ ንጉስ ክእወጅ እንከሎ፡ ነቲ ንጉስ ዘለዎም ክብሪ ንምግላጽ ሰብኡት ቈቢዕ ኣይገበሩን፣ ኣንሽቲ’ውን ናብ ሕርሸአን ኣይወፈራን። ስነ ስርዓት ሓዘን፡ ብ7 ሰነ ዓሰርታት ኣሽሓት ሰባት ናብቲ ኣብ ከተማ ባሜንዳ ዝርከብ ኣስታት 300 ዓመት ዝገበረ ቤተመንግስቲ ምስ ከዱ ተዛዚሙ። ኣብታ ከተማ 500 ሽሕ ህዝቢ ይነብር። እንተዀነ ዋላ ሓደ ንብዓት ኣየፍሰሰን፤ ምኽንያት ንዝጠፍአ ፎን ምብካይ ጽልኣት እዩ። ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፡ ካብ ዝደረቐ ሙዝ ወይ ሻምብቈ ዝተሰርሐ ሓጺር ክዳን ተኸዲኖም፣ ላዕላይ ክፋል ሰብነቶም ጥርሑ ኰይኖም [ደቂ ኣንስትዮ ጸሊም መሸፈኒ ጡብ ገይረን] ከይዶም። ሓድሽ ንጉስ [ወዱ ንፎን ኣንግዋፎር ሳልሳይ] እውን ምስኦም ነይሩ። እቶም ተሳተፍቲ፡ ክብሮም ንምግላጽ ኣናኣሽቱ ኣእማን፣ ቘጽልን ሳዕርን ይድርብይሉ ነይሮም። ድሕሪኡ፡ ኩሉ ናብ ሓጎስን በዓልን እዩ ተቐይሩ። “ከምዚ ዓይነት ፍጻመ ንክመጽእ 63 ዓመታት እዩ ወሲዱ። እቲ ዝቕጽል ኣነ ብህይወት እንከለኹ ዘይከጋጥም ይኽእል” ክትብል ኣደሊን ንጉቲ ተዛሪባ። መንታ ሓፍታ ኣይሪን ብወገና “ኩላትና ሓድሽ ንጉስና ኢና ንቕበል ዘለና። እዚ ኽኣ ባህልና እዩ፤ ንሱ’ውን ከም ኣቡኡ ዋርድያ ባህልና ክኸውን ተስፋ ንገብር” ኢላ። “ኣንግዋፎር ሳልሳይ ነጊሱ፤ ድሕሪኡ ጠፊኡ። ንድሕሪት ተመሊሱ፤ ተሓዲሱ ክመጽእ’ዩ” ክብል ዋና ፈጻሚ ስራሕ ካውንስል ባህሊ ማናኮን ተዛሪቡ። ስለዚ፡ ወዱ ኣግናዋፎር ጆን ኣሳህ፡ ወራሲ ዘውዲ ክኸውን በቲ “ዝተሰወረ” ንጉስ ተመዚዙ ኢሎም ይኣምኑ። ኣብዚ ኹሉ ክብረ በዓል ሓደ ዝጎደለ ነገር ነይሩ፤ ሰብኡት ማንኮን ጠያይቲ ኣይተኰሱን። መንግስቲ ኣብ ባህላዊ ክብረ በዓላት ጥይት ከይትኰስ ከልኪሉ’ዩ። እቲ ከባቢ ብምኽንያት ሕቶ ምግንጻል ዘልዕሉ ተዛረብቲ ኢንግሊዘኛ ካብ 2017 ጀሚሩ ኣብ ጎንጺ ዝርከብ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ሓድሽ ንጉስ ሰላም ከምጽእ ተስፋ ዝገብሩ ብዙሓት እዮም።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2nx07565do"} {"headline":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብሞት መርዓዊ ዝተጠርጠሩ መርዓትን ካልኦት መሓዙትን ኣብ ቀይዲ ውዒሎም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ሓድሽ መርዓዊ ሞይቱ ስለዝተረኸበ መርዓት እትርከቦም ተጠርጠርቲ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። ገመቺስ ሞሲሳ ስነስርዓት መርዕኡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ነቀምቴ ካብ ዝፍጸም ድሕሪ መዓልታት’ዩ ሞይቱ ተረኺቡ። እቲ ወዲ 28 ዓመት ነርስ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም “ተመርዕየ ኣለኹ” ዝብል መልእኽቲ፤ ኣብ ጽባሕ ድማ ናይ መርዕኡ ስእልታት ብፌስቡክ ጠቂዑ ነይሩ። “ገመቺስ ኣብ ቤተክርስትያን እዩ ተመርዕዩ። እቲ ስነስርዓት ከኣ ኣስዩ ውቁብ ነይሩ” ክብል ሓደ ካብ ኣዝማዱ ዝኾነ ጫላ ኢንኮሳ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። “እቲ ሓጎስ ናብ ሓዘን ምስተቐየረ ኩሉ ቤተሰብ ኣብ መሪር ሓዘን ይርከቡ” ክብል እውን ገሊጹ። ቤተሰቡ ከምዝበልዎ ንመወዳእታ ጊዜ ዝተረኣየሉ መዓልቲ፤ ኣብ ጽባሕ መርዕኡ ሰንበት ካብ ገዛ ወጺኡ ክኸይድ ከሎ ነይሩ። ክጽበይዎ እንተወዓሉ ንሱ ግን ክምለስ ኣይከኣለን። በዚ ዝተሻቐሉ ስድርኡን መሓዙቱን ገመቺስ ምጥፍኡ ንፖሊስ ሓበሬታ ብምሃቦም ኣለሻ ተጀመረ። ፖሊስ ብዘካየዶ ኣለሻ ድማ ካብታ ከተማ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ንኢሽተይ ቃላይ ኣስከሬኑ ተረኺቡ። ተኸዲንዎ ዝነበረ ጃኬት ከኣ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ኦም ተንጠልጢሉ ጸኒሑ። ሓላፊ ጸጥታ ከተማ ነቀምቴ ምስጋኑ ዋቅጋሪ ከምዝሓበሮ፡ ወርቃዊት ቀለበት ኣጻብዕቱን ናይ ኢዱ ሰዓትን ተረኺቦም ኣለዉ። ኣብዚ ጉዳይ ዝካየድ ምጽራይ ይቕጽል ምህላዉ’ውን ኣፍሊጡ። ስነስርዓት ቀብሪ ገመቺስ ብሓሙስ ዝተፈጸመ ኮይኑ ብዘሓት ሰባት ሓዘኖም ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ይገልጹ ኣለዉ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58128109"} {"headline":"\"መስቀል ግዳይ\" እንታይ ማለት እዩ?","content":"ብልሙድ መስቀል ገዳይ ብርሃን ገዳይ ከምዝበሃል ዝገልጹ ደራሲ መምህር ገብረኺዳን ደስታ፡ ይኹን እምበር መስቀል ግዳይ እዩ ክበሃል ዝግብኦ ይብሉ። እዚ ማለት ድማ ብርሃን ኮይንልኩም ኣሎ ማለት እዩ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/49838802"} {"headline":"ኣይቕንን’ዩ' ተባሂሉ ዝነበረ ሓዳር ብሪጣንያውያን ን81 ዓመት ዘሊቑ","content":"ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ሎንደን ኣስታት 80 ኪ.ሜትሮ ሪሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ሚልተን ኬይንስ ዝነብሩ ሰብ ሓዳር ሮንን ጆይስ ቦንድን ሓዳር ዝገበረሉ መበል 81 ዓመት ጽምብል ኣኽቢሮም። እቲ ንልዕሊ 80 ዓመታት ዝዘለቐ ሓዳር ኣብቲ ናይ መጀመርታ ናይ ሕጽኖት ግዜ “እዚ ሓዳር ኣይቕንን’ዩ” ተባሂሉ ተነጊርዎም ከምዝነበረ ደቆም ገሊጾም። እንተኾነ ከምቲ ሰባት ዝበልዎ እንተይኮነስ ፍቕሮም ኣመና እናጉሃረ ክሳብ ሎሚ ኣብ ሓዳር ጸኒዖም ይርከቡ። እቶም ደቂ 100ን 102ን ሰብ ጸጋ ዕድመ ኣብ ከተማ ሚልተን ኬይንስ ናይ ጥሮተኛታት መንበሪ ዝቕመጡ ኮይኖም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እቶም ነዊሕ እዋን ብሓዳር ዝጸንዑ ሰባት ከምዝኾኑ እዩ ዝእመን። እቶም ሰብ ሓዳር ቅድሚ 81 ዓመታት ኣብ 1941 ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ደቡባዊ ምብራቕ በኪንግሃምሻየር እዮም ተመርዕዮም። ጓሎም ኢሊን “ኣብ ግዜ መርዕኦም እዚ ሓዳር ብዙሕ ዝቕኒ ኣይመስልን ተባሂሉ ነይሩ። እቶም ከምኡ ዝበሉ ሰባት ግን ከመይ ሕማቕ መዓልቲ ውዒሎም” ክትብል ተገሪማ ትሓትት። እቶም ሰብ ሓዳር ዝሓለፈ ዓመት መበል 80 ዓመት ጽምብል ሓዳሮም ኣብ ዘኽበርሉ እዋን ንግስቲ ኤልሳቤት “እንኳዕ ሓጎሰኩም” ዝብል መልእኽቲ ጽሒፋትሎም ነይራ። ንሳቶም ፈለማ ምስተረኣኣዩ ኣብ ፍቕሪ ከምዝወደቑን ነንሓድሕዶም ተመሳሳሊ ስምዒት ከምዘለዎምን እዮም ዝኣምኑ። “ኣብ ምሕዝነትና ሓላፊ የለን። ክልቴና ኣብ ሂብካ ምቕባል ኢና እንኣምን” ክብላ ወይዘሮ ጆይስ ተዛሪበን። “ሓዳርና ን81 ዓመታት ክዘልቕ’ዩ ዝብል እምነት ኣይነበረናን። ናብዚ ኣገራሚ ዓወት ብምብጻሕና ዕድለኛታት ከምዝኾንና ንፈልጥ ኢና። ዘሕጉስ እዩ ከኣ” ድማ ኢለን። “ሓሓሊፉ ህይወት ከቢድ ይኸውን’ዩ፣ እንተኾነ ግን ብሓንሳብ ክንሰግሮ ጻዕሪ ንገብር። ነንሓድሕድና ድማ ንተሓላሎ” ዝበሉ ድማ ኣቶ ሮን እዮም። እቶም ሰብ ሓዳር ኢሊንን ቢልን ዝበሃሉ ውሉድ ዘለዎም ኮይኖም ኣብዚ እዋን 3 ደቂ ደቆም፣ 6 ደቂ ደቂ ደቆም ከምኡ እውን ሓደ ወዲ ደቂ ደቂ ደቆም ንምርኣይ በቒዖም ኣለዉ። ካብ 2013 ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ጀሚሮም ናብ ናይ ጥሮታ መንደር ዝተዛወሩ ኮይኖም፡ እቶም ሰብኣይ ክሳብ ብጥሮታ ዝወጽኡ ሰራሕተኛ ጋራዥ እዮም ነይሮም። እተን ሰበይቲ ከኣ ኩዊንስዌይ ኣብ ዝተብሃለ ትካል ይሰርሓ ከምዝነበራ ተገሊጹ። ጓሎም “ንኻልኦት መርኣያ ዝኾኑ ሰብ ሓዳር” ከምዝኾኑ ትዛረብ። “ንሰባት ብፍቕሪ ዝቕበሉን ፈቃራትን እዮም” ዝብል ርእይቶ ኣለዋ። ድሕሪ ናይ 81 ዓመታት ሓዳር’ውን እንተኾነ ንሓድሕዶም ከምዝፋተዉን ከምዝተሓለለዩን ንኽትፈልጥ ምስኦም ቅሩብ ግዜ ኮፍ ምባል እኹል እዩ” ኢላ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60009082"} {"headline":"ሸውዓተ ክብርታት ኣሸንዳ-ትግራይ","content":"መሬት ብዝናብ ወርሓት ኽረምቲ ርሒሳ፡ ዘራእቲ ክሽውት ምስ ጀመረ፡ ሸዊት ንኣሽቱ ኣዋልድ ከኣ \"ስየ. . . ይዓወይ ስየ\" እናበላ ክደርፋን ክዘላን ዝህንጠዋሉ እዋን እዩ። በዓል ኣሸንዳ፡ ልዕሊ ካልኦት በዓላት ድሙቕን ውቁብን'ዩ። ወርሒ ነሓሰ እንትብሕት፡ ካብ ስነ ልቦናውን ቁሳውን ምድላው፡ ክሳብ ምሕዳስ መንፈስን ስጋን ዝበጽሕ ምድላው ንምግባር፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ትኽስ ዝብላ ኣይመስላን። ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ካብ ርእሳ ክሳብ ጽፍሪ እግራ ዘደንቕ ቁንጅና፣ ኣዞን ወዝን ክትውንን፡ ካብ ንኡሽቶ ክሳብ ዓብዪ (ካብ ቁኖ ጸጒሪ ርእሲ፣ ኮንጎ ሳእኒ ክሳብ ጥልፊ ክዳን) ምድላዋት ተጻፍፍ። ምሉእ ናጽነት ዝጎናጸፋሉ በዓል ኣሸንዳ ንምኽባር፡ ዳርጋ ናይ ኣዋርሕ ምድላው ክገብራ ዝጸንሓ ደቂ ኣንስትዮ፡ ናብ ኣደባባይ ክወጻ እንከለዋ፡ ዓለም 'ኩሉ ንዓኽን' ዝበለተን እዩ ዝመስል። ነቲ ወትሩ እግረኛታትን ተሽከርከርትን ዝመልእዎ ኣደባባያት፡ ቆልዑ ኣሸንዳ ይብሕተኦ። \"ኣዋልደይ ቆልዑ ማይዱርየ ስነን ጸባ መልክዐን ድርድርየ. . .\" ዝብል ዜማ ናእዳ እናዜማ 'ይዓወይ ስየ' ዝደርፋ ሰብ ጥልፍን ቆጽሊ ኣሸንዳን፡ ንዓብዪን ንኡስን ሃነን እየን ዘብልኦ። ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ቅዱስ ፍሬምናጦስ ኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን፡ መምህር ቅኔን መጽሓፍን ዝኾኑ ሊቀ ሊቃውንቲ ያሬድ ካሳ \"እቲ በዓል ናይ ኩሉ ኣማኒ ክርስትያን'ኳ እንተኾነ፡ ብፍሉይ ግን ሓዳር ዘይገበራ ደናግል ደቂ ኣንስትዮ ዘኽብርኦ'ዩ\" ይብሉ። \"ምሳሌ ድንግል ማርያም'ዩ። ቅድሚኡ ሰብኡት ንኣንስቲ 'ብሰንክኽን ኢና ካብ ገነት ወጺእና፤ ምስ እግዚሄር ተባኢስና' እናበሉ ይምክሑለን ነይሮም። እየሱስ ካብ ድንግል ማርያም ምስ ተወለደ ግን፡ ብህይወት እየሱስ ናብ ገነት ተመሊስኩም ኢለን፡ ብአአን ተመሲሉ\" ይብሉ። ምሁር ባህልን ስነ ቃልን ኣቶ ኣለማየሁ ሃፍቱ ብወገኑ፡ ኣብ እዋን ኣሸንዳ ዝድረፉ ስነ ቃላት ባዕሎም፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ንሓዳር ዘይበቕዐት ምዃና ስለ ዝገልጹ ናይ ደናግል በዓል'ዩ ክበሃል ይከኣል ይብል። \"ቅድሚ ኣሸንዳ፡ ኣብ ጾመ ፍልሰታ ስጋወደሙ ዝቕበላ፡ እተን ደናግል እንብለን ንሓዳር ዘይአኣኸላ ኣዋልድ ብምዃነን፡ ሓንቲ ጓል ኣሸንዳ 'ዓወይ ስየ ክጻወት'የ፡ ኣይጓልን እንድየ' ክትብል ከላ፡ ነቲ ጸወታ ዘይኮነ ገና ድንግል ጓል ምዃና ዝሕብር'ዩ\" ይብል። ኣሸንዳ፡ 'ሻደይ'፣ 'ኣሸንድዬ' ተባሂሉ'ውን ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ይበዓል'ዩ። ንምዃኑ፡ ክብርታት እዚ በዓል እንታይ'ዮም? ደቂ ኣንስትዮኸ ብኸመይ የንጸባርቕኦ? ማዕርነትን ናጽነትን ቆልዑ ኣሸንዳ፡ ክሳደን፣ ጨጉሪ ርእሰን፣ ዓይነን፣ ኢደንን እግረንን ብዝተፈላለዩ ባህላዊ መጋየጺታት ኣመላኺዐን፤ ኣብ ሽምጠን ድማ ቆጽሊ 'ኣሸንዳ' ይዕጠቓ። ንጽባቐ ሓንቲ ጓል ኣሸንዳ ዘድነቐ ወይ 'ነገር ዝደለየ' ወዲ ተባዕታይ፡ ነቲ ቖጽሊ ስሕብ እናበለ ክተቕልበሉን ቁሊሕ ኢላ ክትርእዮ ይፍትን። ቆልዓ ኣሸንዳ ግን ገጽ ኣይትህቦን። ሊቃውንቲ ቤተክህነት፡ ነዚ ኩነታት ምስቲ ኣብ እዋን 'ዕርገት ስጋ ድንግል ማርያም' ዝነበረ ፈተናታት 'ኣጋንንቲ' እዮም ዘዛምድዎ። ምሁራት ሳይንስን ማሕበራዊ ጉዳያትን ድማ፡ በዓል ኣሸንዳ ፍልስፍና ማዕርነት፣ ናጽነትን ማሕበራዊ ስነ ሞገትን ዝንጸባረቐሉ ፍሉይ በዓል እዩ ይብሉ። ኣምባሳደር ኣሸንዳ ትግራይ፡ ስነ ጥበባዊት ፍርያት የማነ፡ በዓል ኣሸንዳ 'ባህልኻ እትሕልወሉ ውርሻ ' ኮይኑ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ባዕለይ ዝብልኦ መንነተን ዝገልጻሉ በዓል'ዩ ትብል። \"በብግዚኡ ዝኾነ ነገር ከይተወሰኾ ዝቐጸለ ባህላዊ ውርሻ'ዩ። ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ገጠር፡ ካብ ካልኦት ተደረብቲ ስራሕቲ ሽዓ እየን ነጻነተን ዝረኽባ። እዚ በዓል፡ ሓሳበን ብነጻነት ዝገልጻሉ፣ ድላየን ዝገብራሉ፣ ጸቢቐን ዝወጽኣሉን ምስ ሰባት ዝራኸባሉን'ዩ\" ትብል። መምህር ስነ ሰብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ሰናይት ኣብርሃ ብወገና፡ ነጻነትን መዓርነትን፡ ሓደ ካብቶም ክብርታት ኣሸንዳ'ዩ ብምባል ትገልጽ። \"በዓል ኣሸንዳ፡ ደቂ ኣንስትዮ ናፊቐንኦ ጸኒሐን፡ ድላየን ዝዛረባሉ፣ ናብ ድላየን ዝኸዳሉ፣ መብጽዓ ኣትዮምለን ንዝጸንሑ ዘመስግናሉ ፌስቲቫል ኮይኑ፡ ቕድም ኢሉ ተጸቒጡ ዝነበረ ብነጻነት ናይ ምዝራብ መሰለን ተቐንጢጡ፡ ኣብቲ ግዘ ንሱ ክነቕፍኦ ንዝደልይኦ ሰብ ዝነቕፋሉ፣ ንዝሙገስ ድማ ዘመጉሳሉ በዓል'ዩ\" ኢላ። ነዚ ድማ ይመስል፡ ኣብዛ ዕለት ዓው ኢለን ድምጸን ንምስማዕ ኾነ ንምዝራብ ዘይሓንካ። ፍርያት የማነ \"ደቂ ኣንስትዮ ርእሰ ተኣማንነተን ብምዕባይ፣ ጥምረት ወይ ሕብረት ዝፈጥራሉ ናይ ነጻነት በዓል'ዩ። ሓሳብ፣ ጽባቐ ዝግለጸሉ ናይ መዘናግዒ መድረኽ'ውን እዩ\" ትብል። ቆልዑ ኣሸንዳ፡ ኣብዚ በዓል ዝጥቀማሎም ኣልባሳት፣ ኩሕልን ኩትቻን ዝኣመሰሉ መመላኽዕታት፡ ቀሊል ዘይብሃል ምድላው ዝገብራሉ'ዩ። እዚ በዓል፡ ሃይማኖታዊ ድርኺት ከም ዘለዎ፡ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ትኣምን። ኣሸንዳ ሃይማኖታዊ መሰረት ዝለበሰ በዓል'ዩ እንተተብሃለ'ውን፡ ኣብ ከይዲ ክዋንኡ ግን ከከም ከባቢኡን ኣመጻጽእኡን ባህሊ'ውን ዝሓወሰ'ዩ፡ ይብል ምሁር መጽናዕቲ ባህልን ስነ ጽሑፍን ኣለማየሁ ሃፍተ። ጽባቐን ሓድነትን ድማ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብፍሉይ ዘንጸባርቕኦም ክብርታት ኣሸንዳ ከም ዝኾኑ ብምጥቃስ፡ ርእሰ ምትእምማን ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዚያዳ ጎሊሑ ዝወጽኣሉ ዕለት እዩ ክብል የብርህ። \"ኣዋልድ ዚያዳ እቲ ካልእ መዓልቲ ጸቢቐን ኣብቲ መዓልቲ ዘለወን ክብሪ፣ ውሽጣውን ደጋውን ርእሰ ምትእምማን ዘርእያሉ ዕድል'ዩ። ዝተፈላለየ ባህሪ፣ ብርኪ መነባብሮ፣ ድልየትን ዝንባለን ዘለወን ደቂ ኣንሰትዮ ናብ ሓደ መጺአን ባህሊ ወለደን ዝገልጻሉ መዓልቲ'ዩ\" ይብል። \"ንጻወት እንዶ ንተሓዋወስ'የ ዘመን ክምለስየ\" ዝብል ሓደ ተለላ ደርፊ ቖልዑ ኣሸንዳ ብምጥቃስ፡ እዚ ንሕና ሓደ እንተኾይንና'ዩ እቲ ሰናይ ዘመን ክመጽእ ዝኽእል፣ ባህልና እንዝክሮ ንሕና ተሓዋዊስና ሓደ እንተኾይንና'ዩ ዝብል መልእኽቲ ስለ ዘለዎ፡ ምስክር ሓድነተን'ዩ ይብል ኣለማየሁ። ኣሸንዳ፡ ካብ ካልኦት በዓላት ፍሉይ ዝገብሮ፡ ናይ ንሕንሕ ዓውዲ ኮይኑ ምቕራቡ'ዩ። ደቂ ኣንሰትዮ እንተውሓደ ብኣከዳድና፣ ብመጋየጺታት፣ ብክእለት ምንጓሕ ደርፊ፣ ፈጠራዊ ዜማታትን ካልኦትን፡ \"ዲደይ'ዶ ዲደኺ ትዕምርየ፤ ዲደይ ድኣ ጓለይ. . .\" እናበላ፡ በብኣናኣሽቱ ጉጅለታት ተወዚዐን ይጻወታ። ኣቶ ኣለማየሁ ሃፍተ ከም ዝብሎ ድማ፡ ኣሸንዳ ፍልስፍና ጾታ'ውን ዝርኣየሉ'ዩ። \"ደቂ ኣንስትዮ እንታይ ይደልያ፣ እንታይ ይጸልኣ፣ ከመይ ነይረን፣ ከመይ ኣለዋ፡ በቶም ዘዝይምኦም ስነ-ቃላት ናይ ምግላጽ ተኽእሎ ስለ ዘለወን ፍልስፍንአን የርእያ እየን\" ዝብል ኣቶ ኣለማየሁ፡ \"ኣዋልደይ ሎሚ ዕበዳ፤ ላዕላይ ሰማይ'ዶ ኣለዎ ማይዳ\" ክብላ ከለዋ፡ ዓብዪ ፍልስፍና ህይወት'ዩ ይብል። \"ደቂ ሰባት ነቲ ክመጽእ እዩ ኢልና ብዛዕባ እንጽበዮ ካልኣይ ዓለም ኢና ንሓስብ። ንሰን ግን እታ ዝተውሃበትና እታ ንፈልጣ ዓለም ክንጥቀመላ ንኽእል ኣለና፡ ሎሚ እንተዘይተጻዊትክን ኣብ ላዕላይ ሰማይስ ሜዳ ዝህሉ'ዶ ይመስለክን ዝብል ዓብዪ ናይ ስነ ተፈጥሮ ፍልስፍና'ውን ዘርእያሉ መገዲ'ዩ\"። ምሁራት መጽናዕቲ ባህልን ስነ ጽሑፍን፡ ባህሊ፡ ብሓደ ወገን ከም ዘዳሊ፤ በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ክብርታት ሓሊኻ ንክትኸይድ ዝገብር'ዩ ይብሉ። ኣሸንዳ ከም ሓደ ትውፊታዊ በዓል፡ ማሕበራውን ስነ ልቦናውን ትርጉም ከም ዘለዎ ዘልዕል ኣቶ ኣለማየሁ፡ ደቂ ኣንስትዮ ዚያዳ እቲ ኻልእ መዓልቲ ብዛዕባ ሓድነተንን ስነ ጾታን ዝሓስባሉ፣ ዘለወን ጽባቐ ብምግላጽ፡ ንዝተፈላለዩ ባህላዊ እምነታት እቲ ሕብረተሰብ ዝምጉታሉ ባይታ'ዩ ክብል ይገልጾ። ጓል ኣንስተይቲ ደገ እንተወጺኣ ብዙሕ ጸገም ክበጽሓ'ዩ፣ ደቂ ተባዕትዮ ብዘይፍቓዳ ወሲዶም ዘይትደልዮ ነገር ክትፍጽም ትኽእል'ያ ዝብል ስግኣትን ባህላዊ እምነትን እቲ ሕብረተሰብ፡ ኣብዚ ዕለት ብገሃድ ከም ዝምጎት እውን ይዛረብ። \"ኣብታ መዓልቲ፡ ኣብ ውሽጠን ብዝፍጠር ስብእና እምበር፡ ደገ ስለ ዝወጽኣ፣ ሰብ ስለ ዝርኣያ፣ ዓርሰን ብነጻነት ስለ ዝገለጻ ኣይኮነን ሕማቕ ነገር ዝሓስባ ዝብል ስነ ልቦናዊ ሞጎት ኣብ ኣሸንዳ ይርአ'ዩ። ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኩል ጊዜ ተዓቢጠን፣ ካብቲ ማሕበራዊ ህይወት ተገሊለን ክነብራ የብለንን፡ ስለዚ ነጻነተን ዝእውጃሉ መዓልቲ ክህልወን ኣለዎ ዝብል ኣተሓሳስባ ዝተፈጠረሉ ስለ ዝኾነ፡ ኣሸንዳ ኣተሓሳስባ ናይቲ ማሕበረሰብ ዝግለጸሉ፣ ስነ ጾታዊ ሞጎት ዝካየደሉ፣ ብርኪ ጾታን ጓል ኣንስተይቲ ዝርኣየሉን በዓል'ዩ\" ኢሉ። ደቂ ኣንስትዮ ኣሸንዳ፡ ናብ ሩባ ከይደን ማይ ብምሕጻብ፣ ቤተክርስቲያን ከይደን ዓመት ንዝዓቖረን ፈጣሪአን ኣመስጊነን እየን ጓይላ ወይ ጸወታ ኣሸንዳ ዝጅምራ። \"ሓዛለይ ሓዛለይ . . . ጎይታይ ኣጋፋሪ ኽፈተለይ በሪ . . .\" ኢለን ዝረኸብኦ ውህብቶ፡ ምስቲ ማሕበረሰበን እየን ዝካፈልኦ እትብል መምህር ስነ ሰብ ሰናይት፡ \"ኣብ ገጠራት ንቤተክርስቲያን ከበርክታ፡ ኣብ ከተማ ድማ ንመሐገዚ ኣረጋውያን ወይ መንግስታዊ ልምዓት ከወፍይኦ ኢና ንዕዘብ\" ኢላ። ስነጥበባዊት ፍርያት የማነ ብወገና፡ እቲ ኣሸንዳ ኢልካ ዝርከብ እቶት ኣብ ገጠራት ብልክዕ እቲ ዝነበረሉ ተሓልዩ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ኣብ ከተማታት ሓሓሊፉ ዝፍለይ ባህሪያት ከም ዝርኣዮ ትዛረብ። \"እቲ ባህሊ ዝሃስስ ኣይኮነን፤ ግን ምስ ግዜ እናተቐየረ ዝመጽእ ነገራት ከም ዘሎ ትዕዘብ ኢኻ። ኣብ ገጠር ከም ቀደሙ ኣሸንዳ ተባሂሉ ዝርከብ እቶት ንቤተክርስቲያን ብምሃብ፣ ዝጠመየ ብምዕንጋል በረከት ዝርከቦ ነገር ይስርሐሉ። እቲ ባህሊ ብዝግባእ ክፍለጥ እንተገይርናዮ ግን፡ ስርዓቱ ሓልዩ ክሓልፍ ይኽእል'ዩ ኢለ ይሓስብ\" ትብል። ግደ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ጸወታ ኣሸንዳ ደቂ ተባዕትዮ፡ ዋላ'ውን ከበሮ ሒዞም እንተዘይተልሃዩ፡ ሓጺር ገምባለ ምስ ሽራኽ ስኣኒ ወይ ኮንጎ ረጊጾም፣ ሚዶ ኣብ ጎተና ርእሶም ሰዅዖም፣ በትሪ ጨቢጦም ደድሕሪ እተን ቆልዑ ኣሸንዳ ክዞሩ ይውዕሉ። ተመልከትቲ ወይ ዕዱማት ኮይኖም፡ መብጽዐአን ክበጽሐለን ውህብቶ ንዝልምንኦም ስልማት ብምሃብ፡ ጸወትአን የድምቑ። \"ከም ባህሊ፡ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ሓንቲ ጉጅለ ሓፍቶም ክትህሉ ስለ እትኽእል፡ ጥቕዓት ከይበጽሓ ንምሕላው ደድሕሪአን ብምኻድ ዝግለጽ ተራ ኣለዎም\" ትብል ሰናይት። ርኢይቶኣ ዝካፈል ኣቶ ኣለማየሁ ብወገኑ፡ ወዲ ተባዕታይ፡ ነቲ ነጻነተን ተቐቢሉ ስርሐን ጽባቕአን ብምንኣድ፡ ኣካል እቲ በዓል ከም ዝኸውን ብምግላጽ፡ ብፍላይ እቶም ኣናኣሽቱ ዝበሃሉ ካብ ከልብን ካልኦት ሓደጋታትን ኣብ ምሕላው ዓብዪ እጃም ከበርክቱ ኢኻ ትዕዘብ ኢሉ። \"ኣብዚ ግዘ፡ እቲ ዝደለይኦ ውህብቶ እንተዘይተዋሂበን ንዕኦም ክግስጹ ዝኽእሉ ደርፍታት ይደርፋ እየን፤ እቶም ደቂ ተባዕትዮ እንተተጸረፉ'ውን ኣይምልሱለንን። እዚ ግዘ ፍሉይ ነጻነት ሂቡወን እቲ ማሕበረሰብ'ውን ከም ዝደገፈን የመላኽት\" ትብል መምህር ሰናይት። ካብዚ ብምብጋስ፡ ኩል ግዘ ደቂ ተባዕትዮ ፍቓድን ነጻነትን ዝቕበልሉ ባይታ እንተመጺኡ፡ እቲ ዘሎ ጾታዊ ኣፈላላይ ክጸብብ ይገብር'ዩ ዝብል እምነት ኣለዋ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትካል ባህሊ፣ ትምህርትን ሳይንስን [ዩኔስኮ] ንምምዝጋብ ዝስርሑ ስራሕቲ ኣለው። \"ኣብዚ በዓል ደቂ ኣንስትዮ ሙሉእ ንሙሉእ ባህላዊ መጋየጽታት ስለ ዝጥቀማ ባዕሉ ሓድጊ'ዩ\" እትብል ኣርቲስት ፍርያት የማነ፡ \"ዝተፈላለየ ሳዕስዒት፣ ደርፍን ባህልን ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ምልላይ ምኽኣል ዓብዪ ነገር'ዩ\" ኢላ። እንተኾነ፡ ካብ ባህሪ ኣከባብራ እቲ በዓል ብምብጋስ፤ ብፍሉይ ኣብዚ ቀረባ ግዘ መለመኒ ቅርሺ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ ዝብል ስክፍታ ዝፈጥረሎም ሰባት ኣለው። ኣሸንዳ፡ ናብ ዘላቒ ማሕበራዊ-ቑጠባዊ ረብሓ ንምሽራፍ፡ ካብቲ ትውፊታቱ ከይወጽአ ባህላውን ሃይማኖታውን ክብርታቱ ብኣግባቡ ዝንጸባረቐሉ ክኸውን ከም ዘለዎ ድማ ይላበዩ። እዚ ጽሑፍ፡ ፈለማ ብ 21 ነሓሰ 2019 ዝተሓተመ ዛንታ እዩ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49379854"} {"headline":"ቻይና ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ውቃጦ ከይገብሩ ከልኪላ","content":"ቻይና ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣካላቶም ከይውቀጡን ዝተወቀጡ እውን ከጥፍእዎን ዝእዝዝ መምርሒ ኣውጺኣ፡፡ ንስፖርት እታ ሃገር ዘመሓድር ኣካል ከምዝገለጾ፡ በደረጃ ሃገራዊት ጋንታን ተተካእትን ውቃጦ ዘለዎም ሓደሽቲ ተጻወትቲ ምምልማል ‘‘ብጥብቂ ክልክል እዩ’’፡፡ እቲ ስጉምቲ ኣብ ሕብረተሰብ ጽቡቕ መርኣያ ንምዃን ከምዝሕግዝ እውን ገሊጹ፡፡ ከም ኣብ ምክልኻል ዝጻወት ዛንግ ሊንፐንግ ዝበሉ ከዋኽብቲ፡ ቅድም ክብል ውቃጦኦም ክሽፍኑ ተነጊርዎም ነይሩ፡፡ ቻይና ካብ 2018 ጀሚራ ውቃጦ ኣብ መስኮት ቴሌቪዥን ከይረኣይ ቁጽጽር እናገበረት ጸኒሓ፡፡ ገለ ፕሮፌሽናል ተጻወትቲ እውን ውቃጦኦም ንምሽፋን ነዊሕ እጅገ ዘለዎ ክዳን ክኽደኑ ይረኣዩ፡፡ ምምሕዳር ስፖርት እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ ውቃጦ ዘለዎም ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ‘‘ከጥፍእዎ መኺርናዮም ኢና’’ ኢሉ፡፡ ውቃጦ ከም መፍለዪ ገበነኛታት ተገይሩ ስለዝረኣይ ኣብ ባህሊ ቻይና ቅቡል ኣይኮነን፡፡ ብሓፈሻ ኣብ ምብራቕ እስያ ምስ ገበነኛ ጉጅለታት ተኣሳሲሩ እዩ ዝረአ፡፡ ኣብ ገለ ዓሌታት ዝግበር ባህላዊ ውቃጦታት እውን ከም ናይ ዘይምምዕባል ምልክት ተገይሩ ይውሰድ፡፡ ዋለኳ ውቃጦ ብኮሚኒስታዊ ውድብ ቻይና እውን ተቐባልነት ዘይብሉ እንተኾነ፡ ብቻይናውያን መንእሰያት ግን ፍቱው እናኾነ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ፡፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ተቖጻጸሪ መራኸቢ ብዙሃን ቻይና ‘‘ዘይጥዑይ ትሕዝቶ’’ ኣለዎም ኣብ ዝበሎም ጉዳያት ሕግታቱ ከምዘጥብቕ ገሊጹ ነይሩ፡፡ ውቃጦ ዘለዎምን ጸጉሮም ንድሕሪት ዘትሓዙን ተባዕትዮ ስፖርተኛታትን ፍሉጣት ሰባትን ኣብ ቴሌቪዥንን ኢንተርነትን ከይረኣዩን ኣብ ገለ ድማ ምስሎም ሃሲሱ ክረኣይን ተገይሩ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣብ ቻይና ይካየድ ኣብ ዝነበረ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ፡ ጸጉረን ሕብሪ ዝለኸያ ተጻወትቲ ካብ ጸወታ ብምኽልካለን እቲ ውድድር ተቛሪጹ እዩ፡፡ ኣብቲ እዋን ነቲ ናይ ዩኒቨርሲቲ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ዘካይድ ሊግ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ‘‘ኣብ ኩሎም ብርኪታት ዝርከቡ ስፖርተኛታት ውቃጦ ክወቀጡ፣ ጸጉሮም ሕብሪ ክለኽዩ፣ ጸጉሮም ባህ ብዘይብል መንገዲ ክስርሑን ገለ ነገር ክልጥፉን ክልኩል እዩ፤ እንተዘይኮይኑ ኣብቲ ውድድር ከሳተፉ ኣይፍቀድን’’ ኢሉ ነይሩ፡፡","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59835811"} {"headline":"ሞዛምቢክ: በራሕ ርእሲ 'ወርቂ ኣለዎ' ብዝብል ማሪታዊ እምነት ዝተፈጸመ ቅትለት","content":"ኣብ ሞዛምቢክ ሓደ በራሕ ሰብ ምስ ማሪታዊ እምነት ብዝተሓሓዝ ክሳዱ ከምዝተቖርጸ ጸብጻባት ሓቢሮም። ነቲ ዘስካሕክሕ ቅትለት ዝፈጸሙ ገበነኛታት ነቲ ዝተቖርጸ ርእሲ ናይቲ ግዳይ ክሸጥዎ ከምዝሓሰቡ ፖሊስ ሞዛምቢክ ገሊጹ። እቲ ክገዝኣሎም ዝተባህለ ወልቀሰብ ብምስዋሩ ግን፡ ነቲ ርእሲ ኣብ ማእከል እታ ኣብ ማእከላይ ዞባ እትርከብ ከተማ ማውንዲዋ ገዲፎሞ ከምዝኸዱ ጸብጻባት ሓቢሮም። ገለ ሞዛምቢካውያን፡ በራሕ ርእሲ ደቂ-ተባዕትዮ ወርቂ ኣለዎ ኢሎም ከምዝኣምኑ ይግለጽ። ፖሊስ ብዛዕባ'ቲ ግዳይ ዝሃብዎ ሓበሬታ የለን። ሰብመዚ ጸጥታ ብዛዕባ'ቶም ነቲ ገበን ዝፈጸሙ ሰባት ይኹን ንምሓዞም ዝተገብረ ጻዕርታት ዝሃብዎ ሓበሬታ የለን። በራሕ ርእሲ ንምርካብ ዝግበር ቅትለት እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን። ኣብ 2017 እውን ንተመሳሳሊ ዕላማ ቅትለት ከምዝተፈጸመ ንፈለማ እዋን ተገሊጹ ነይሩ። ብማሪታዊ እምነት ዝተደረኸ ንግዲ ኣካላት ሰብ ኣብ ሞዛምቢክ፡ ማላዊን ታንዛንያን ዳርጋ ልሙድ ምዃኑ ይፍለጥ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ'ውን ተመሳሳሊ መበገሲ ዘለዎ ቅትለታት ከምዝፍጸም ጸብጻባት የረድኡ። እቲ ቅትለታት ብምፍጻም ዝርከብ ኣካላት ጽቡቕ ዕድላት ብልጽግናን ጾታዊ ፍቕርን የምጽእ'ዩ ተባሂሉ ዝእመን። ብፍላይ ኣብ ከም ብዓል ታንዛንያ ዝበላ ሃገራት ኣካላት ናይቶም ሕማም ለምጺ ዘለዎም ሰባት ካብቶም ኣዝዮም ዝድለዩ ብምዃኖም፡ ብዙሓት ጻዕዳ ቆርበት ዘለዎም 'ኣልቢኖ' ግዳያት ክኾኑ ዝገበረ ግጉይ እምነት'ዩ። ኣብ 2019 ፖሊስ ታንዛንያ፡ ምስ ሞት 10 ኣልቢኖ ቆልዑ ብዝተሓሓዝ 65 ጠንቆልቲ ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ምንባሩ ይዝከር። ኣልቢኖ ብብዝሒ ኣብ ታንዛኒያ ከምዝራኣዩን፡ ካብ 1,400 ታንዛናውያን እቲ ሓደ ሰብ ኣልቢኖ'ከምዝኾነን ወግዓውያን ጸብጻባት'ታ ሃገር የመልክቱ። ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ግን፤ ካብ 20,000 ሽሕ ሓደ ሰብ ጥራይ እዩ ብ 'ኣልቢኒዝም' ዝጽሎ። ኣብ ካልእ ክፋላት ዓለም'ውን ዘይሕጋዊ ንግዲ ኣካላት ሰብ ሓደ ካብ ዓበይቲ ዓለምለኻዊ ገበናት ምዃኑ ይፍለጥ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60044737"} {"headline":"ባህላዊ ኣከባብራ በዓል ቅዱስ ዮዉሃንስን ሓድሽ ዓመተ ምሕረትን","content":"ሎሚ ብኣቆጻጽራ ግእዝ ድሮ ሓድሽ ዓመተ ምሕረት 2014 ኮይኑ፡ ካብ ዓመተ 2013 (፳፻፲ወ፫) ዘመነ ማቴዎስ ወንጌላዊ ናብ 2014 (፳፻፲ወ፬) ዘመነ ማርቆስ ዜናዊ ዝሰጋገረሉ እዩ። ድርብ ጽንብል ብዓል ቅዱስ ዮሃንስን ሓድሽ ዓመትን'ዩ ዝፍጸመሉ ምዃኑ'ውን ፍሉይ ይገብሮ። ኣብዚ ዕለት ከኣ ዮሃንሰይ'ድኣቶ... ኣብሪሁዋ ንባይቶ!... ዮሃንሰይ ቅዱሰይ ንዘልኣለም ንጉሰይ!' ተባሂሉ ይድረፍ። ድሮ ቅዱስ ዮሃንስ ካብ ካልእ ድሮ በዓላት ዝፈልያ ድምቀታ'ዩ። ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ ጳጉሜ መዓልታት፡ ብፍላይ መብዛሕትኡ'ቲ ኣብ ገጠራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነብር ኣማኒ ክርስትና ህዝቢ 'ማይ ጳጉሜ' ተሓጺቡ 'ሓድሽ ሰብ' ኮይኑ ናብ ሓድሽ ዘመን ዝሰጋገረሉ መዓልቲ'ዩ። ንሱ ጥራይ ግን ኣይኮነን፡ ድሮ ቅዱስ ዮውሃንስ ካብ ወቕቲ ናብ ወቕቲ ዘሰጋግር ጊዜ'ውን እዩ። ሎሚ ምሸት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ባና ብርሃን ዝኹልዓሉ እዩ፡ ብርሃን ሓይሊ ኤለክትርክ ዘይኮነስ ሽግ ሆየ ሆየ ዝደምቀሉ ለይቲ እዩ። ኣጉባዝ ከካብ ቅርዓቶም ዓዶም ተኣኻኺቦም፡ ብብርሃን ሽግ እናተመርሑ ሆየ ሆየ 'ኣጆኽን ኣንስቲ - ሆየ - ጻዕዳ ጣፍ ለወስቲ - ሆየ' ሆየ ዘይበለ ካባና ይፈለ እናበሉ፡ እናተቐባበሉ ንወሰናስን ዓዶም ብዙርያኣ ይኾልዋ። እቲ ጽምብል ሆየ ብመንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ዝካየድ ስነ-ስርዓት'ዩ። ከም'ቲ ካልእ ባህልን ልምድን ኣከባቢ እዚ እውን ካብ ከባቢ ንከባቢ ክፈላለ ቁሩብ ክፈላለ ይኽእል እዩ - እቲ ኣገባብ ግን ተመሳሳሊ እዩ። ልዕሊ 80 ዓመት ዝዕድመኦም ኣቦይ ሃብተማርያም ኣብርሃ ቅድሚ 60 ዓመታት፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ከባቢ ሰፍኣ ቆላ ሰራይ ዝግበር ዝነበረ ወግዒ ይዝክሩ። ነፍሲ ወከፍ መንእሰይ፡ ማሉ ኣተኣታትዩ፡ ኣሓኡ ሓሊቡ፡ ተደሪሩ፡ ሽጉ ሒዙ ካብ ዓዲ ውጽእ ኢሉ ይተኣኻኸብ። መንእሰያት ዓዲ ኩሎም ምስተኣከቡ፡ ነቲ ስነ ስርዓት ዘመሓድሩ ኣለይቲ ይመርጹ፡ ኣብቲ መስርዕ ዝሳተፉ መንእሰያት ዝመርጹ'ውን እዞም ኣካየድቲ'ዮም። ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝፈላለ እኳ እንተኾነ፡ ኣብቲ ካብ መሮር ተበጊሱ ናብ ዓዲ ዝኣቱ ዕስለ መንእሰያት ክሳተፉ ዝፍቀደሎም ልዕሊ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ እዮም። ሓደ ሓደ እዋን፡ እዚ ናይ ዕድመ ገደብ ሓደ መንእሰይ ንዓቕመ ኣዳም ዝሰጋገረሉ እዋን ከም ዝኾነ ይእመነሉ'ዩ። ኩሉ እቲ ክመጽእ ዝግብኦ ሰብ ኣብቲ ካብ ዓዲ ወጻኢ ዝርከብ መኣከቢ ቦታ ምስ በጽሐ፡ ሽጎም ወሊዖም ካብ በረኻ ሆየ ሆየ እንዳበሉ ንዓዶም ይኾልዋ። ሓደ ካብቶም ኣለይቲ ኣብ ቅድሚት ይመርሕ። እቶም ዝተረፉ ክልተ ድማ ኣብ ማእከልን ኣብ ድሕሪትን ኮይኖም ነቲ መስርዕ ይኣልይዎ ከም ዝነበሩ ኣቶ ሃብተማርያም ይዝክሩ። ሆየ ፍሉይ ዝኾነ መዝሙር ኣለዎ፡ መንእሰያት እናተቐባበሉ ይዝምርዎ። ሆ ሆየ ሆየ ሃንሰ ሃንሰ ሆየ ገዓት ዘኾልሰ - ሆየ ኣባ 'ብርሃም ዓጓ - ሆየ ከጎዪ ተጎጓ - ሆየ ኣባ 'ብርሃም ጢጡ - ሆየ ኪጎዪ ጠሪጡ - ሆየ ኣጆኽን ኣንስቲ - ሆየ ጻዕዳ ጣፍ ለወስቲ - ሆየ እንጌራ ዳጉሻ - ሆየ ሓቢርና ንቑረሳ - ሆየ ኣጋ ደርሆ ነቆ - ሆየ ትህረም መሰንቆ - ሆየ ሃንሰ መስቀለ - ሆየ ብርሃን ተቐልቀለ - ሆየ ኣጆኹም ቆልዑ - ሆየ ባልዶንጓ ጨልጊዑ - ሆየ ኣጆኹም ጓሶትየ ሰወተ - ሆየ ሆ ሆየ ሆየ ሆየና ዘይበለ - ካባና ይፈለ ከምዚ እናበሉ ንዓዶም ኮሊሎም ምስ ወድኡ፡ ነቲ ዝተረፈ ሽጎም ኣብ ቅርዓት (ጎልጎል) ዓዲ ኣኮቦም ዘነባብሮም ኣባ ጓይላ መሪጾም ጓሎም ወዶም ጓይላ ተኺሎም ብሓባር ክልሃዩ ይሓድሩ ይብሉ። እቲ ኣጋጣሚ ደቂ-ኣንስትዮ ስነጥበባዊ ክእለተን ዘመስክራሉ እዋን'ዩ፡ ንማሕበራዊ ተርእዮታት ዝውድሱን ዝነቕፉን እዋናዊ ደርፍታት ብምውካእ ነቲ ወግዒ የድምቐኦ። ነዚ ድማ'ዩ ጌና እንከሎ 'ንመስቀለይ ንመስቀለይ ድርብ ኮቦሮ ሓዛለይ' ተባሂሉ ዝድረፍ። ምስጋር- 'ቁራዕ ሓምሊ ውጻእ ገዓት ጠስሚ እቶ' እቲ ድሙቕ ምሸት ድማ፡ ብሓደ ተምሳላዊ ስነ-ስርዓት'ዩ ዝዛዘም- 'ምስጋር ሽግ' ከኣ ይበሃል። ቤተሰብ ብሓደ ተኣኪቦም ኣብ ቅድሚ ገዝኦም 'እዝጊኦ' ኢሎም ምህለላ ድሕሪ ምክያድ ናብ ምስጋር ሽግ ይእቶ። እቲ ምሸት ናይ ዘመንን ወቕትን መሰጋገሪ ብምዃኑ፡ ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ወይ በይኑ ወይ ምስ ጎረባብቱ ነቲ ሆየ ክበሃለሉ ዝሓደረ ሽግ ኣኻኺቡ ብሓደ ብምስዋር፡ ነቲ ሓዊ ይሳገር። ናኣሽቱ መንእሰያት'ውን ነቲ ሆየ ዝበልሉ ሽግ ገዛ ገዛ እናኸዱ ንካልኦት 'ብምስጋር' ካብቲ ዝወሃቦም መቑሽሽ ገንዘብ ኣኪቦም ኣብ መዓልቲ ቅዱስ የውሃንስ ብሓባር ይውዕሉ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካኣ 'ዓኾዃይ ዓኾዃይ፡ ዓኾዃይ ቁራዕ ሓምሊ ውጻእ ገዓት ጠስሚ እቶ .....'ዓመት ንዓመት የድግመና'' እናበለ ይሳገር። ኣዴታት ኣብ ክንዲ እቶም ባዕሎም ነቲ ሓዊ ክሳገርዎ ዘይክእሉ ደቀን 'እዚ ድማ ናይ ...ወደይ እዚኣ ናይ ጓለይ ' እናበላ ኣስማት ደቀን እናጸውዓ ብውክልና ይሳገራሎም። 'ንዓመታ እዚ እዋን'ዚ የርእየና\" ተባሂሉ ድማ እቲ ድሙቕ ምሸት ይዛዘም። ሽግ ሆየ ሆየ ሆየ ሓደ ካብቲ ንቅዱስ ዮሃንስ ዘድምቕ ባህላዊ ልምዲ ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ መንእሰያት ዓመት መጽአ ብሃንቀውታ ዝጽበይዎ በዓል'ዩ። ሽግ ሆየ፡ 'ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ' ካብ ንቑጽ ጨንገር እዩ ዝስራሕ። እዞም ልዕሊ 80 ዓመት ዝገበሩ በዓል ጸጋ ኣቦ ኣቦይ ሃብተማርያም ኣብራሃ፡ ኣብ ግዜ ንእስነቶም \"ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ እመት ዝበጽሕ ናይ ታህሰስ [ጨንፈር] ሽግ\" ይስራሕ ከምዝነበረ የዘንትው። እቲ ብግዚኡ ንቅዱሰ ዮውሃንስ ዘድልዮ ሽግ ሰሪሑ ከዳሉ ዘይካኣለ ድማ፡ ብቐሊሉ ክቃጸል ዝኽእል ከም ዝነቐጸ ቆልቋል ዝኣመሰለ ክጥቀም ይኽእል፡ ይብሉ ንሶም። ዕንጸይቲ ምስ ዝሰኣን ከኣ፡ መንእሰያት ተበላሒቶም፡ ኣብ ኣስቃጥላ ታኒካታት ክቃጸል ዝኽእል ጎማ ብምእታው ብገመድ ኣሲሮም እናምበድበዱ ሆየ ክብሉ ይራኣዩ እዮም። እዚ ብውሑስ ኣገባብ እንተ ተታሒዙ፡ ኣግራብ ካብ ምብራስ ከድሕን ዝኽእል ተበላሓትነት'ዩ ክበሃል ይከኣል'ዩ። ንድምቀቱን ጨንኡን ብዝምልከት ግን ካልእ ሕቶ ክህሉ ይኽእል እዩ። ስለዚ ምስራሕን ምድላውን ሽግ ሆየ ኣብ እትነብረሉ ካባቢ ካብ ዘሎ ባህሪያ ጸጋታት ኣግራብ ዝምርኮስ'ዩ ማለት'ዩ። ብዝኾነ ሎም ምሸት ኣብ መላእ ገጠራት ኣኽበርቲ ቅድስ ዮሃንስ ሽግ ሆየ ሆየ ክበርህ እዩ። ንለይቱ ከኣ ሂር ዝበለ ጓይላ ሓጎስን ተስፋን ክሓድር እዩ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-45345797"} {"headline":"ሳይንስ፡ ደቂ ሰባት ምስዕዓም ዝጀመርሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ?","content":"ገለ ገሊኡ ባህሊ፡ ከንፈር ንከንፈር ገጢምካ ምስዕዓም ከም ነውሪ ስለ ዝቑጸር ኣብ ዓለም ሓደ ዓይነት ዝብሃል ልምዲ ምስዕዓም የለን። ስለ ዝኾነ፡ እቲ ዝተፈላለየ እንርእዮ ዓይነት ምስዕዓም እንታይ ማለት'ዩ ዝብል ዝኾነ ዝነግረና ጠቓሚ ነገር ምህላዩ ኣይተርፍን። ብመሰረት ኣብ 168 ባህልታት መሰረት ገይሩ ኣብ ዓለም ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ትሕቲ ፍርቂ ሕብረተሰብ እዘን መጽናዕቲ ዝተኻየደለን ሃገራት'ዮም ብከንፈሮም ዝስዓዓሙ። ክኢላ ስነ ሰብ ዩኒቨርሲቲ ኔቫዳ ፕሮፌሰር ዊልያም ጃንኮዊክ፡ ካብቶም ንደቆም ዝስዕሙ ወለድን ሰላምታ ዝለዋወጡን ወጻእ ብፍቕራዊ ስምዒት ከንፈር ንከንፈር ዝስዓዓሙ ሰባት 46 ሚኢታዊት ጥራይ ከም ዝኾኑ ብመጽናዕቲ ረኺቡ። ህጻናት ከንፈር ምትንኻፍ ይፈትው'ዮም። ካብኡ ብዝተፈለየ፡ ኣባጽሕ ኣፍ ንኣፍ ገጢሞም ምስዕዓም ዝመርጸሉ ምኽንያት ዝምልከት ግን ክልተ ክልሰ ሓሳብ ኣሎ። እቲ ሓደ፡ ከንፈር ምስ ምጥዋብ ስለ ዝተኣሳሰር፡ እዚ ከኣ ንኹሉ ባህሪያዊ ብምዃኑ'ዩ። ብተወሳኺ በዚ መዳይ ኣብ ሞንጎ ኣደን ውላድን ዘሎ ጥቡቕ ምትእስሳር ካብቲ ኣደ ንውላዳ ንምምጋብ \"ሓይኻ እተኾልሶ\" ዝመጽአ'ዩ ዝብሉ ኣለው። ወለዲ ጥንታዊ ወለድና ንውላደን መግቢ ቅድሚ ምሃበን ሓይኸን ብቐጥታ ናብ ኣፍና ኣኾሊሰናና ክኾና ይኽእላ'የን። እዚ፡ ኣብቶም ንዓና ቐረባ ዝብሃሉ መበቆል ደቂ ሰባት ምዃኖም ዝንገረሎም ኢምፓንዚታትን ካልኦት ኣበይቲ ኣህባይን ዝስትውዓል'ዩ። ካልኦት ክልሰ ሓሳባት ድማ፡ ክዳውንቲ ቀንዲ ምኽንያት ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይጠቕሱ። \"እንተኾነ፡ ኣነ እቲ ኣብ ዓለም እንሪኦ ምስዕዓም ምህላዩ ወይ'ውን ዘይምህላዩ ስምዒት ደቂ ሰባት ካብ ምስዕዓም ወጻእ ብኻልኦት መገዲታት ክማላእ ምኽኣሉ ይመስለኒ\" ይብል ፕሮፌሰር ዊልያም ጃንኮዊክ። ኣብቶም ከንፈር ንከንፈር ናይ ምስዕዓም ባህሊ ዘይብሎም ሕብረተሰብ ጥቡቕ ዝምድንኦም ዝገልጽሎም ካልኦት መገዲታት ክትብል ኣመሪካዊት ጸሓፊት ሳይንስ ሺሪል ትገልጽ። ንኣብነት፡ ኣብ ምብራቕ ገምገም ፓፓዋ ኒው ጊኒ ኣብ እትርከብ ደሴት ትሮብሪያንድ ዝነብሩ ፍቕረኛታት፡ ገጽ ንገጽ ከፍ ኢሎም ቅርንብ ዓይኒ ሓድሕዶም ብምንጽጻይ'ዮም ዝስዓዓሙ። \"እዚ ንዓና ፍቕሪ ዝገለጸሉ መገዲ ዘይክመስለና ይኽእል፤ ንዓኣቶም ግን ንሱ'ዩ እቲ ባህሎም\" ትብል። እቲ ከንፈር ንከንፈር ምስዕዓምን ካልኦት ዓይነታት ምስዓምን ሓደ ዝገብሮም ነገር፡ ሰባት ንሓድሕዶም ክቀራረቡን ንምቅርራቦም ምኽንያት ክፈጥሩን ዝገብሩ ምዃኖም'ዩ። ምስዕዓም፡ ብፍሉይ ወዲሰባዊ ባህርይ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58246951"} {"headline":"ህይወት ኣብ ባሕሪ እንታይ ይመስል?","content":"ሰራሕተኛ መርከብ ሙሊ ተስፋይ ኣብ ኦሮምያ ምዕራብ ወለጋ እዩ ተወሊዱ። ንሱ ካብ ዘይርስዖም ነገራት ሓደ ኣብ ስራሕ እንከሎ ናይ ኣዲኡ መርድእ ዝሰማዓሉ ግዜ እዩ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59919819"} {"headline":"ካብ መቕደላ ዝተዘመቱን ካብ ትካላት ጨረታ ዝተዓደጉን ቅርስታት ኢትዮጵያ ክምለሱ'ዮም","content":"ኣብ 1868 ካብ መቕደላ ናብ እንግሊዝ ዝተወሰዱን ካብ ትካላት ጨረታን ውልቀሰባትን ዝተዓደጉ ቅርስታት ናብ ኢትዮጵያ ከምዝምለሱ፡ ኣብ እንግሊዝ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቶም ዝምለሱ ቅርስታት መስቀል፣ መፅሓፍ ቅዱስን ዋልታን ዘካተቱ እንትኾኑ ፋውንዴሽን ሻሃራዛድ'ዩ ዓዲጉ ነቲ ኤምባሲ ኣረኪብዎ። እቲ ፋውንዴሽን፡ ኣብ እንግሊዝ ካብ ዝርከብ ሓደ ትካል ጨረታን ውልቀ ነጋዶን ከምዝዓደጎ ድማ እቲ ኤምባሲ ሓቢሩ። ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ እንግሊዝ ተፈሪ መለሰ፡ እቶም ቅርስታት ንምቕባል ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ተረኺቡ፡ እዞም ቅርስታት ብምምላሶም ኣመስጊኑ። እቲ ኣምባሳደር፡ ካብ መቕደላ ዝተዘመቱ ቅርስታት ዝሓዙ ሙዝየማት፣ ኣከብቲ ቅርስታትን ውልቀሰባትን ብተመሳሳሊ ነቶም ቅርስታት ክመልሱ ፀዊዑ። ኣካያዲ ስራሕ ፋውንዴሽን ሻሃራዛድ ኣይተ ታሂር ሻህ፡ ምምላስ እቶም ቅርስታት ንኢትዮጵያውያን ዓብይ ቦታ ከምዘለዎ ከምዝፈልጥን፡ ንትካሎም ብምጥቃም ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝምድናታት ክህነፁ ኣተስፍዩ። እቲ ኤምባሲ ነቶም ቅርስታት ናይ ምምላስ ተግባር ከምዝዓምም ተገሊፁ። ቅድሚ ሕዚ ብጨረታ ክሽየጡ ተመዲቦም ዝነበሩን ካብ መቕደላ ናይ ዝተዘመቱን ክልተ ቅርስታት መሸጣ ክቋረፅ ከምዝተገበረ ይዝከር። እቶም ብእንግሊዘዊ ትካል በስቢ ኦክሽነርስን ቫሉወርስ ብጨረታ ክሽየጡ ዝነበሩ ቅርስታት ጥንታዊ መፅሓፍ ቅዱስ ምስ ማህደሩ፣ መስቀልን ዋንጫታትን እዮም ኔሮም። ትካል እቲ ጨረታን ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ እንግሊዝን ድሕሪ ዝገበርዎ ልዝብ'ዩ እቲ ጨረታ ተቛሪፁ። ሰራዊት እንግሊዝ ነቶም ቅርስታት ካብ መቕደላ ንምግዓዝ 15 ሓራማዝን 200 ኣባቕል ከምዝተጠቐመ ሓበሬታታት ይገልፁ። ኢትዮጵያ ካብ መቕደላ ዝተዘመቱን ብሚልየን ዳላር ዝግመቱ ቅርስታታ ንክምለሱላ ብ2008 ዓ.ም ንትካላት ቅርሲ እንግሊዝ ሓቲታ ኔራ። መቕደላ 1868 • ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ቴዎድሮስ ምስ እንግሊዝ ርክብ ብምፍጣር ንኣቢሲንያ ከዘምን ወሲኑ • እንተኾነ ናይ ወተሃደራዊ ድጋፍ ሕትኡ እንግሊዝ ዕሽሽ ስለዝበለቶ፡ ርክብ ክለቲአን ሃገራት ሓርፊፉ • ናይዚ ግብረ መልሲ ድማ ናይ ቆንስላ እንግሊዝን ካልኦት ሰራሕተኛታትን ኣሲሩ • ነዚ ስዒቡ እንግሊዝ ኣብ መቕደላ ናብ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ እቲ ንጉስ ሰራዊታ ልኢኻ • ኣብ ኢድ እንግሊዝ ኣይወድቕን ብምባል ድማ ሃፀይ ቴድሮስ ርእሰ ቅትለት ፈፂሙ • ሰራዊት እንግሊዝ ድማ ክቡራት ብራናታት፣ ኣክሊላት፣ መስቀል፣ ካብ ወርቂ ዝተሰርሑ ዋንጫታት፣ ናይ ንጉሳውያንን ቤተ ክርስትያንን ንዋትን ዋልታን ዘሚቶም • ኣብቲ እዋን ወዲ ሸውዓተ ዓመት ወዲ እቲ ንጉስ'ውን ናብ እንግሊዝ ተወሲዱ ኣብ ቤት ትምህርቲ ራግቢ ክመሃር ተጌሩ። • ወዱ ኣብ 18 ዓመት ብሕማም ሳንቡእ ምስ ሞተ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዊንድሶር ተቐቢሩ • ሙዝየም ቪክቶርያን ኣልበርት እንግሊዝ ካብ ወርቂ ዝተሰርሐ ኣክሊልን ዋንጫን ኣቐሚጡ • ካብ መቕዳላ ዝተዘመቱ ካልኦት ቅርስታት ካብ ውልቀሰባት ናብቲ ሙዝየም ብውህብቶ ዝተለገሱ'ዮም","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58478851"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ብህዝባዊ ተቓውሞ ደው ኢሉ ዝነበረ ማሕረዲ ኣእዱግ ኣሰላ ዳግማይ ስራሕ ጀሚሩ ዶ ይኸውን?","content":"ኣብታ ካብ ኣዲስ ኣበባ 164 ኪሜ ንሸነኽ ደቡብ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ኣሰላ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመታት ተሃኒጹ ስራሕ ዝጀመረ፡ እንተኾነ ግና ካብቲ ሕብረተሰብ ብዝመጸ ተቓውሞ ስርሑ ደው ከብል ተገዲዱ ዝነበረ ማሕረዲ ኣእዱግ ዳግማይ ስርሑ ምጅማሩ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም። ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ነባሪ እታ ከተማ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ \"እቲ ፋብሪካ ብሕቡእ ኣእዱግ ይሓርድ ከምዘሎ ኣብቲ ፋብሪካ ዝሰርሕ ዓርከይ ኣረጋጊጹለይ ኣሎ\" ኢሉ። ዳይሬክተር ናይቲ ኣብ ድሕንነት ኣእዱግ ዝነጥፍ ዘይመንግስታዊ ትካል፡ 'ዶንኪ ሳንቹወሪ ኢትዮጵያ' ዝኾነ ዶክተር ቦጂኣ ሂንደቡ ብወገኑ፡ እቲ ፋብሪካ ዳግማይ ስራሕ ምጅማሩ ብዝምልከት ካብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖም ብምግላጽ፡ ነቲ ሕቶ ናብ ሚኒስትሪ ሕርሻ እኳ እንተኣቕረቡ፡ እቲ ፋብሪካ ኣይተኸፈተን ዝብል ምላሽ ከም ዝተወሃቦም ተዛሪቡ። እቲ ትካል ግብረሰናይ ነቲ ፋብሪካ ብቐጥታ ናይ ምቁጽጻርን ምሕታትን ሓላፍነት ከም ዘይብሉ ብምዝኽኻር፡ ኣብቲ ከባቢ ብዝርከቡ ጋዜጠኛታትን ነበርትነ ነቲ ጉዳይ ንምጽራይ ይንቀሳቐሱ ምህላዎም'ውን ገሊጹ። ሓላፊት ቤትጽሕፈት ወፍሪ ከተማ ኣሰላ ወ\/ሮ ቀመርያ ሳኖ፡ ኣብታ ከተማ ዝርከብ ማሕረዲ ኣእዱግ ስራሕ ብዛዕባ ምጅማሩ ዝበጽሓኒ ሓበሬታ የሎን ኢላ። \"እቲ ፋብሪካ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት እዩ ተዓጽዩ፤ ንሕና'ውን ክሳዕ ሕጂ ከም እተዓጽወ ኢና እንፈልጥ፤ ነቲ ፋብሪካ ፍቓድ ዝሃቦ መንግስቲ ፌደራል እዩ። ሕጂ'ውን እቲ ፍቓድ ክቕጽል ድዩ ክቋረጽ ዝውስን ንሱ እዩ። ንሕና ግና ክሳዕ ሕጂ ብዘሎና ሓበሬታ፡ እቲ ፋብሪካ ናብ ስራሕ ከም ዘይተመለሰ ኢና እንፈልጥ\" ኢላ። እቲ ፋብሪካ ብሕቡእ ማሕረዲ ኣእዱግ ይፍጽም ኣሎ ንዝብል ብኣካል ኣብ ቀጽሪ እቲ ፋብሪካ ኬድና ክነጻሪ ኢና ክትብል ሓቢራ። ካብ 'ዶንኪ ሳንችወሪ' ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ ኢትዮጵያ ብዘለዋ ብዝሒ ኣእዱግ፡ ካብ ዓለም ኣብ ቅድሚት እያ እትስራዕ። ዶክተር ቦጂኣ ሂንደቡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብዝሒ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣእዱግ ካብ ሸሞንተ ክሳዕ ትሽዓተ ሚልዮን ይበጽሕ። ቻይና ብብዝሒ ኣእዱግ ሓንቲ ካብተን ኣብ ቅድሚት ዝጥቀሳ እኳ እንተኾነት፡ ኣብታ ሃገር ማሕረዲ ኣእዱግ ብምውሳኹ፡ ብዝሒ ኣእዱግ ካብ 11 ሚልዮን ናብ 3 ሚልዮን ከም ዝወረደ ዶክተር ቦንጂኣ መጽናዕትታት ብምጥቃስ የረድእ። ኢትዮጵያ ዝለዓለ ብዝሒ ኣእዱግ ዘለዋ ሃገር ምዃና ኣብ ማሕረዲ ኣእዱግ ንዝነጥፉ ኣውፈርቲ ሰሓቢ ምዃኑ'ውን ሓቢሩ። ቅድሚ ገለ ዓመታት ኣብ ከተማታት ኣሰላን ቢሾፍቱን ማሕረዲ ኣእዱግ ተኸፊቱ እኳ እንተነበረ፡ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተሰብ፡ እቲ ተግባር ምስ ባህልን ክብርታትን ኢትዮጵያውያን ዝጻረር እዩ ብምባል ብዝተፈላለዩ መገድታት ተቓውሞ ብምቕራቦም ካብ ስራሕ ደው ከም ዝበሉ ዝዝከር እዩ። ማሕረዲ ኣእዱግ ዝፈጥሮ ጽልዋ እንታይ'ዩ? ዳይሬክተር ዶንኪ ሳንችወሪ ዶክተር ቦጂኣ፡ ከም ኢትዮጵያ ኣብ ዝኣመሰላ ሃገራት ብቐንዱ ኣብ ሕርሻ ኣብ ዝምርኮሳ ሃገራት፡ ተራ ኣእዱግ ኣብ ንጥፈታት ሕርሻ ብመኪና ዝትካእ ከም ዘይኮነ ይዛረብ። ወሲኹ'ውን ኣብዘን ሃገራት ማሕረዲ ኣእዱግ ምኽፋት፡ ልዑል ማሕበራዊ ጸቕጢ ከም ዝፈጥር ገሊጹ። \"ከምዚ ዓይነት ፋብሪካ፡ ንግዚኡ ነታ ሃገር ምንጪ ናይ ወጻኢ ባጤራ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ እንተኾነ ግና እቲ ኣብ ገጠራት ዝነብር ህዝባን ዝበዝሐ ህይወቱ ምስ ኣእዱግን ሸኾናኦም ዘይተመቕለን ናይ ጋማ ከብቲ ዝተመስረተ እዩ። ዝበዝሑ ንጽዕነት ኣእዱግ'ዮም ዝጥቀሙ። ኣእዱግ እንተተሓሪዶም እቲ ሰኸም ናብ ኣዴታትን ካልኦት ሰባትን እዩ ክሓልፍ\" ብምባል ነቲ ተጽዕኖ የረድእ። ኣብ ማሕረዲ ኣእዱግ ዝዋፈሩ ትካላት ናብታ ሃገር ክኣትው እንከለው 'ባዕልና እነፋርዮም ኣእዱግ ኢና እንሓርድ' እኳ እንተበሉ ኣብ ተግባር ግና ነቲ ክፍጽሙ ርኢና ኣይንፈልጥን ክብል እውን ኣብሪሁ። \"ባዕሎም ዘፋረይዎ ኣእዱግ እንተዝሓርዱ ጽቡቕ ነይሩ። ተሞክሮ ካልኦት ሃገራት እንተርኢና፡ ፈለማ ከምኡ ዝብል ሓሳብ የቕርቡ፤ ኣብ ተግባር ግና ኣየውዕልዎን'ዮም። ናይቲ ሕብረተሰብ ኣእዱግ እዮም ብደላሎ እናዓደጉ ዝሓርዱ\" ይብል ዶክተር ቦጂኣ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58881636"} {"headline":"ምስሎምን ወለደኦምን ንዝጠፍኦም ኡጋንዳውያን ዘራኽብ ዘሎ ዝኣረገ ኣሳእል","content":"ናታረ ጉማ ምባሆ ምዊነ፡ ነቲ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ሰኣሊ ዝነበረ ነፍስስሄር ኣልሲዮስ ሳሎንጎ ኣብ ከባቢ ከተማ ምብሪዚ ዝሰኣሎም ኣሳእል ኣሕጺቡ [ኣሕቲሙ] ናብ ምርኢት ከቕርቦም እንከሎ ኣብ ውሽጡ ሓደ ሓሳብ ነይርዎ። እዚ ሕጂ ብሞባይልን ካልእ ዓይነት ካሜራታትን ክስእል ዝውዕል ዘሎ ወለዶ፡ ቀደም ስእሊ ምስኣል ክሳብ ክንደይ ዓቢ ነገር ከምዝነበረ ዘይክርድኦ ይኽእል እዩ። ከምዚ ሕጂ ስእሊ ልኣኸለይ ኢልካ ካብን ናብን ጫፋት ዓለም ናይ ካልኢት ሕቶ ከይኮነ እንከሎ፡ ቀደም ምስሊ እቲ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ትናፍቖ መቅርብካ: ስእሊ ተሳኢሉ፡ ተሓጺቡ፡ ብሰብ ተጾይሩ እዩ ዝመጽኣካ ነይሩ። ካሜራ ናይ ነፍስሄር ኣልሲዮስ ሳሎንጎ ኣብ እዋና ነዚ እያ ተቃልል ነይራ። ስምዒታት ናይ ብዙሓት ሰባት ኸኣ ኣብ ውሽጢ እታ ኣልሲዮስ ሳሎንጎ ተሓንጊጥዋ ዝኸይድ ዝነበረ ካሜራን ኣብ ውሽጣ ዝተኸዘነ ጥቅላል መስኣልን ይኽዘን ነይሩ። ምባሆ ምዊነ፡ መበቆሉ ካብ ኡጋንዳ ኮይኑ ኣብ ኣሜሪካ'ዩ ተወሊዱ፡ ኣብ 1999 ብከተማ ምብሪዚ እናሓለፈ እንከሎ መኪንኡ ስለዝተበላሸወቶ ክሳብ ትዕረየሉ ኣብታ ከተማ ዘወር እናበለ እንከሎ እዩ ንስትድዮ ናይ ነፍስሄር ኣልሲዮስ ሳሎንጎ ክርእዮ ክኢሉ። ናብ ወሽጡ ክኣቱ ተፈቒድዎ፡ ነቲ 'ነጋቲቭ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣሽሓት ዘይተሓጸበ ኣሳእል ኣብ ጸላም ኮይኑ ክርእዮ ክኢሉ። እቲ ኣሳእል ኣብ 1960ታት ዝተሰኣለ እዩ። ናታረ ጉማ ምባሆ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት \"ነቲ ዘይተሓጸበ ኣሳእል ምስ ርኣኽዎ ኣዝየ'የ ሰንቢደ፡ ኣዝዩ ዘደንቕ ሰነድ እዩ\" ኢሉ። ከተማ ምብሪዚ ካብ ርእሰ ከተማ ካምፓላ ብመኪና ሓያለ ሰዓታት ዘዊርካ ኢኻ ትረኽባ \"ኣብቲ እዋን ኣልሲዮስ ሳሎንጎ ምናልባት እቲ እንኮ ካሜራ ዝነበሮ ሰብ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ ብኸምኡ'ዩ ዝኸውን ብዙሕ ሰብ ናብቲ ናቱ ስቱድዮ እናመጽአ ዝስኣል ነይሩ\" ይብል ምባሆ ምዊነ። እቶም ኣብቲ ስቱድዩ ዝስኣሉ ዝነበሩ ሰባት ሰብ ሃብቲ ዘይምዃኖም የፍልጡ'ዮም \"መብዛሕትኦም ሓረስቶት'ዮም፡ እዚ ተረኺቡ ዘሎ ኣሳእል ኸኣ እቲ ቦታ፡ እቶም ሰባትን ኣነባብርኦምን እንታይ ከምዝመስል ንዓለም መርኣዪ መስኮት ዝኸፍት'ዩ\" ይብል ምባሆ ምዊነ። ናታረ ጉማ ምባሆ ምዊነ፡ ምስ ዓርኪ ሰኣላይ ኣልሲዮስ ሳሎንጎ ብምርድዳእ ነቲ ሰነዳት ኣሕጺቡ ንህዝባዊ መርኢት ከቕርቦ ሓሊኑ። ኣልሲዮስ ሳሎንጎ ኣብ 2006 ኣብ መበል 67 ዓመቱ'ዩ ሞይቱ። ካብቲ ንሱ ዝሰኣሎ ኣሳእል ልዕሊ 5,000 ዝኸውን ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ከተማ ምቢሪዚ ንህዝባዊ ምርኢት ቀሪቡ። እቲ ኣሳእል ኣብ 100 ሚትሮ ዝኸውን ጎድኒ ዝነበሮ መርኣዩ እዩ ተለጢፉ። ኣብቲ ምርኢት ናይ ቀደም ምስሎምን ምስሊ ቀረብቶምን ዝርእዩ ኣረጋውያን፡ ምስሊ ወለዶም ዝርእዩ ደቂ 60 ዓመት ዝኾኑ ሽማግለታት፡ ምስሊ ኣቦሓጎታቶም ዝርእዩ መንእሰያትን ካልኦትን ነይሮም። ብዙሓት ኸኣ ምስሊ ዝተበተኸ ወለደኦም ዘናድዩ ነይሮም። ናታረ ጉማ ምባሆ ምዊነ \"ምምላስን ምሕዳስን ተዘክሮታት እዩ ነይሩ\" ብምባል እቲ ምርኢት ብዙሕ ስምዒታት ዝሓዘለ ምንባሩ ገሊጹ። ጆንሶን ምካንጋ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ምርኢት ዝነበሩ ሰባት ኮይኑ ምስሊ እቲ ብንእሽትኡ እንከሎ ዝሞተ ወላዲኡ ክርኢ ምኽኣሉ ገሊጹ። ነቲ ስእሊ ናይ ኣቡኡ [ኣብ ላዕሊ ዘሎ] ናይ ኣዱኡን ናይ ሓትንኡን [ኩሎም ሞይቶም'ዮም] ሓወብኡ እዩ ኣርእይዎ። \"ምስሊ ኣቦይ ንመጀመርታ ግዜ'የ ዝርእዮ ዘለኹ፡ ኣብ ገዛና ዋላ ሓንቲ ስእሉ ኣይነበረናን\" ይብል ጆንሶን። ሓወቦኡ ንጆንሶን ነቲ ስእሊ ናይ ዝሞተ ሓዉ እናርኣየ \"ምስ ጆንሶን ሓደ ዓይነት መልክዕ'ዩ ነይርዎም\" ኢሉ። ክልተ ኩምባ ኢማንኤልን ካተርጋ ኣይዛክ ምጉዙን ዝተብሃሉ ኣሕዋት ከኣ ስእሊ ናይቲ ኣብ 1962 ኣቦኡም ኣባል ባይቶ ናይቲ ከባቢ እንከሎ ዝተሰኣሎ ስእሊ ኣብዚ ምርኢት ክረኽብዎ ክኢሎም። ሉብያኒ ማርቲን ኦነስሙስ ሙጉዙ [ኣብ ላዕሊ ዘሎ ስእሊ] ቀዳማይ ኣባል ባይቶ ናይ ከባቢ ምቢሪዚ እዩ ነይሩ። እቲ ስእሊ ብኣልሲዮስ ሳሎንጎ ዝተሰኣለ ኮይኑ ሉብያኒ ማርቲን ኦነስሙስ ሙጉዙ ቀዳመይቲ ደሞዙ ምስ ተቐበለ ዝተሳኣላ ስእሊ እያ። ናታረ ጉማ ምባሆ ምዊነ \"ደቁ ንሊብያኒ ናይ ቀደም ምስሊ ኣቡኦም ምስ ርኣዩ ኣዝዮም'ዮም ተሓጒሶም\" ኢሉ። ናሎንጎ ቴዲ'ውን ቅድሚ 40 ዓመታት ክትምርዖ እንከላ ዝተሰኣለቶ ስእሊ ብሃንደበት ኣብዚ ምርኢት ክትረኽቦ ምኽኣላ ኣዝዩ ከምዘሐጎሳ'ያ ገሊጻ። ናሎንጎ፡ ስእሊ ናይታ ናብቲ ስቱድዩ ሒዛታ ዝመጽአት ጓላ'ውን ክትረክብ ክኢላ እያ። ናሎንጎ ኣብቲ እዋን ንኹሉ እቲ ዝተሓጸበ ኣሳእል ክትግዝኦ ሰልዲ ስለዘይነበራ እያ ገዲፋቶ። ሕጂ ግን ድሕሪ እቲ ምርኢት ናታረ ጉማ ምባሆ ምዊነ ኩሉ ኣሳእላ ጠርኒፉ ሂብዋ ኣሎ። ናታረ ጉማ ምባሆ ምዊነ ሰባት ነቲ ምርኢት ክዕዘቡ እንከለዉ ምስ ሕሉፍ ህይወቶም ዝራኸቡ ዘለዉ ኮይኑ ይስምዖ ምንባሩ ንቢቢሲ ገሊጹ። \"ሓደ ሓደ ግዜ ሰባት ይሞቱ'ሞ ምስ ግዜ ይርስዑ እዮም፡ እዚ ምርኢት ኸኣ ብዙሓት ተረሲዖም ዝነበሩ ሰባት፤ ቦታታትን ኩነታትን ዳግማይ ከምዝዝከሩ ስለዝገበረ ኣዝየ ሕጉስ'የ\" ይብል ናታረ ጉማ ምባሆ ምዊነ። ናታረ ጉማ ምባሆ ኣብዚ እዋን ነቲ ብኣልሲዮስ ሳሎንጎ ዝተጀመረ ምስናድ ኣሳእል ንምቅጻል ንኣናባብራ ህዝቢ እቲ ከባቢ ይስንድ ምህላዉ እዩ ዝገልጽ። ምዊነ ንኣሳእል ኣልሲዮስ ሳሎንጎ ካብ ከተማ ምብሪዚ ሓሊፉ ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም ንምርኢት ከቕርቦን ብዛዕብኡ ሰነዳዊ ፊልምን መጽሓፍን ንኸዳሉ ውጥን ከምዘለዎ'ዩ ሓቢሩ። ርግጽ እዩ ኣብ ኣውሮጳን ኣብ ኣሜሪካን ዘለዉ ሰባት ብዛዕባ እዚ ኣሳእል ዘለዎም ጦብላሕታ ልክዕ ከም ነበርቲ ከተማ ምብሪዚ ክኸውን ከምዘይክእል ዝገልጽ ምዊነ \"እንተኾነ እዚ ኣሳእል ብዛዕባ ኡጋንዳ ክፈልጡን ክጽሕፉን ንዝደልዩ ዓንዲ ሕቖ ክኾኖም ይኽእል'ዩ\" ኢሉ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59950454"} {"headline":"ህንዲ፡ ን'ምህለላ ዝናብ' ብዝብል ኣብ ማእከል ህዝቢ ዕርቃነን ወጺአን ዝኸዳ ቆልዑ","content":"ኣብ ማእከላይ ዞባ ህንዲ፡ ዝናብ ክመጽእ ኣብ ዝተኻየደ ምህለላ 6 ትሕቲ ዕድመ ኣዋልድ ዕርቃነን ከምዝወጻ ተገይሩ። እቲ ፍጻመ ኣብ ሓደ ደርቂ ዘጋጠሞ፡ ኣብ ክፍለ ሃገር ፕራደሽ ዝርከብ ዓዲ'ዩ ተፈጺሙ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሰብ ዝቀባበለሉ ዘሎ ካብቲ ቦታ ዝወጸአ ምዃኑ ዝተገልጸ ቪድዮ፡ እተን ኣዋልድ እንቁርዖብ ዝተኣስረሉ ለዓት (ዕንጨይቲ) ተሰኪመን ክጓዓዛ የርኢ። ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ እቲ ባህላዊ ልምዲ ንኣማልኽቲ ዝናብ ብምፍታው ማይ ክሃርም ዝገብር'ዩ ኢሎም ይኣምኑ። ኮሚሽን ሓለዋ መሰላት ህጻናት ህንዲ፡ ብዛዕባ'ቲ ፍጻመ ካብ ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ጸብጻብ ክወሃቦ ሓቲቱ ከምዘሎ ተገሊጹ። ፖሊስ ናይቲ ዓዲ ዝርከበሉ ዞባ ማደህያ ፕራደሽ ብወገኑ፡ ዝኾነ ወግዓዊ ጥርዓን ከምዘይቀረበሉ'ኳ እንተገለጸ፡ ምጽራይ ከምዝጀመረ ሓቢሩ'ሎ። \"እተን ኣዋልድ ዕርቃነን ወጺአን ክኸዳ ተገዲደን እንተኾይነን ስጉምቲ ክውሰድ'ዩ\" ክብል ሓላፊ ፖሊስ ዲ-ኣር ተኒዋር ንኣገልግሎት ዜና ፕረስ ትራስት ህንዲ ተዛሪቡ። እተን ቆልዑ 5 ዓመት ዝርከብአን ኣዋልድ፡ ደድሕሪአን ካልኦት ዝዝምራ ኣንስቲ እናሰዓብአን ብሓባር ተሰሪዐን ክኸዳ ይራኣያ። እቲ ገስጋስ ናይቲ መስርዕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ደው ዝብል ኮይኑ፡ እተን ዕርቃነን ዝወጻ ቆልዑ ጥረ ዘርኢ እናኣከባ፡ ናብቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ቤተመቕደስ ናይቲ ማሕበረሰብ የወፍይኦ። \"እዚ ዝናብ ከምጽኣልና'ዩ ኢልና ኢና እንኣምን\" ክትብል ሓንቲ ኣብቲ መስርዕ ዝነበረት ጓለ-ኣንስተይቲ ነቲ ኣገልግሎት ዜና ተዛሪባ። ሓደ ብዓልመዚ ናይቲ ከባቢ ድማ፡ ስድራቤት ናይተን ቆልዑ ከምዘፍቀዱለንን ባዕሎም'ውን ኣብቲ ምህለላ ከምዝተሳተፉን ገሊጹ። \"ኣብ ከምዚኦም ጉዳያት፡ እቲ ምምሕዳር፡ ከምዚ ዓይነት እምነት ረብሓን ፍረን ከምዘይብሉ ነቶም ነበርቲ ከንቅሖም ጥራይ'ዩ ዝኽእል\" ክብል ክሪሽና ቻይታንያ ይዛረብ። ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ህንዲ፡ ሕርሻ ኣብ ዝናብ ናይቲ 'ሞንሱን' ተባሂሉ ዝፍለጥ ወቕቲ'ዩ ዝምርኮስ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ድማ ዝተፈላለዩ ናብ ኣማልኽቲ ዝናብ ዝቐርቡ ምህለላታትን ልምድታትን ኣለዉ። ኣብ ገለ ከባቢታት፡ 'ኣባጅጎ' ጠሉ ከውርድ መጋርያታት ሓዊ ክኣጉዱ እንከለዉ፡ ኣብ ገሊኡ ድማ እንቁርዖብ ወይ ኣእዱግ ይምርዓዉ። ገለ ድማ፡ ነቶም ኣማልኽቲ ዝናብ ዝውድስ ዜማታት ይዝምሩ። ገለ ነቲ ማሪታዊ እምነት ዘይኣምንሉ ሰባት፡ እቲ ልምዲ ንሰባት ካብቲ ዘጋጥሞም ጸገማት ንግዚኡ ክወጹ (ክርስዑ) ዝተማህዘ'ዩ ይብሉ። ገለ ባህላዊ ኪኢላታት ብወገኖም፡ ደገፍ ንምርካብ ናብ ዝኸድዎ ምስጠፍኦም ዘካይድዎ ልምዲ'ዩ ክብሉ ይምጉቱ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58479966"} {"headline":"ኢትዮጵያ ኣሸንዳ፣ ሻደይን ኣሽንድዬን ብዩኔስኮ ንኽምዝገብ ዘቕረበቶ ሕቶ ንዝተወሰነ ጊዜ ኣልዒላቶ","content":"ኢትዮጵያ ኣሸንዳ፣ ሻደይ፣ ኣሽንድዬ፣ ዓይኒ ዋሪ፣ ማርያ ኣብ መዝገብ ዘይድህሰሱ ሓድግታት (ውርሻታት) ዩኔስኮ ንኽሰፍር ዘቕረበቶ ሕቶ ንዝተወሰነ ጊዜ ከምዘልዓለቶ ተገሊጹ። ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህልን (ዩኔስኮ): ነቶም ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዝኽበሩ ባህላዊ ጸዋታታት ኣሸንዳ፣ ኣሸንድዬ፣ ዓይኒዋሪ፣ ማሪያን ሶለልን ኣብ መዝገብ ዘይድህሰሱ ሓድግታት (ውርሻታት) ዓለም ምስፋሮምን ዘይምስፋሮምን ሎሚ 15 ታሕሳስ 2021 ውሳነ ክህብ ተመዲቡ ነይሩ። ነቲ ምዝገባ ዘድልይ ረቛሕታት ንምምላእ ብገምገምቲ ኣካላት ንዝተልዓሉ ሕቶታት ምላሽን መብርህን እንተቐረበ'ውን ኣብዚ ዓመት ንዝወሃብ ውሳነ ከይበጽሕ ከምዘይከኣለ ኣብ ሚንስትሪ ቱሪዝም በዓል ሞያ መጽናዕትን ሓለዋን ቅርስታት ኣቶ ገዛሀኝ ግርማ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። \"እቲ ሓደ ኣይተማልአን ዝተባህለ እቲ ዘቕረብናዮ ሰነድ፡ እቲ ሓድጊ፡ ሰብኣዊ መሰላት ዘኽብርን ጾታዊ ማዕርንት ዘተረባብዕን ዘጉልሕን ምዃኑ ኣየርእን ዝብል እዩ። ንሕና ግን እቲ በዓል ደቂ ኣንስትዮ ዝጻወትኦ፣ ናጻ ዝኾናሉን ሓሳበን ብናጽነት ዘቕርባሉን፣ ማሕበራዊ ነቐፌታ ዘቕርባሉን ካልኦት ብዙሓት ክብርታት ዘለዎን ሓድጊ ምዃኑ ኣቕሪብና ኢና\" ኢሉ። ካልእ መዐቀኒ ድማ እቲ ሓድጊ ብምምዝጋቡ ንህልውና ካልኦት ዘበርክቶ ግደ ኣየርእን ዝብል ኮይኑ፡ እቲ ሳልሳይ ድማ እቲ ሓድጊ ኣፍልጦ ምርካቡ ብዝተሓሓዝ ዝመጽኡ ትጽቢት ዘይተገብሮም ስግኣታት ዝብል እዩ። \"እንተኾነ እቲ ሓድጊ ብህዝብን ብቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ዝሕሎ ስለ ዝኾነ በጻሕቲ ዓዲ እቲ ሓድጊ ክብለጽሉ ኣይኽእሉን ኢልና ተኻቲዕና ነይርና\" ክብል ኣረዲኡ ኣቶ ገዛሀኝ። እቲ ሕቶ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ከምዝቐረበ ዘዘኻኸረ እቲ በዓልሞያ፡ ገምጋም ዘካይዱ ኣካላት ግን ሓሙሽተ ረቛሕታት ክማልኡ ከምዘለዎም ከምዝሓበሩ ገሊጹ። ነዚ ስዒቡ ብወገን ኢትዮጵያ ኣገዳሲ ዝባሃል መረዳእታታት ከምዘቕረበት'ዩ ተሓቢሩ። ቅድም ክብል ኢትዮጵያ ዘይድህሰሱ ውርሻታታ ኣብ ዘመዝገበትሉ እዋን ተሰሳትፎ ዝገበረ እቲ በዓል ሞያ፡ ንኣሸንዳ\/ሻደይ እውን ኣድላዪ መረዳእታን መብርሂን ከምዝቐረበ ሓቢሩ። \"ዝኾነ ክፍተት ኣይነበረን፤ ብቐንዱ ኣነ'የ እቶም ሰነዳት ዘዳልዎምን ዘተሓባብሮምን። ሓሓሊፉ ግን እቲ ዝግምግም ኣካል ሕይል ዝበሉ ረቛሒታት የውጽእ'ዩ፤ ናይ ሎሚ ኽኣ ፍልይ ዝበለ'ዩ። ንኣብነት ተሳትፎ ሕብረተሰብ ዝብል ኣሎ፤ እዚ ልዑል ተሳትፎ ሕብረተሰብ ንምርዳእ ምስቲ ሕብረሰተብ ብምርኻብ እቲ ሓድጊ ናይ ባዕሉ ምዃኑ፣ ምስ ተመዝገበ ዘምጽኦ ረብሓ ብምርዳእ ንክምዝገብ ካብቲ ሕብረተሰብ ፍቓድ ከም ዝሃበናን ብፊርማ ከም ዝተረጋገጸን ጠቒስና ኢና\" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ንሳቶም ግን \"ናይቶም ዝተኻየዱ ኣኼባታት ኣጀንዳ ኣየቐመጥኹምን፣ እተን ነቲ በዓል ዘኽብራ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝተሰማምዓሉ ብፊርምአን ዘረጋግጽ ጭቡጥ ነገር የብልኩምን\" ከምዝበሉ ወሲኸዑ ሓቢሩ። ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ሕቶ ንግዚኡ ክተልዕል ምውሳና፡ ነቲ ዝቐረበ ገምጋም ዘድልዩ ሰነዳት መሊሳ ብምውዳብ ንሕቶኣ ዳግም ከምእተቕርብ ወሲኹ ገሊጹ'ሎ። ብሰንኪ ኲናት ሓድሕድ ሎሚ ዓመት ክብዓል ዘይክኣለ ባህላዊ ጽንብል ኢትዮጵያ እዞም ባህላዊ ውርሻታት ብዩኔስኮ ንኽምዝገቡላ ቅድሚ ዓመታት ሕቶ ዘቕረበት ኮይና፤ ኣብቲ ናይ ፈረንሳ-ፓሪስ መድረኽ ወግዓዊ ከምዝኸውን ተፈሊጡ’ሎ። እታ ሃገር ውርሻታታ ኣብቲ መዝገብ ዓለም ንኽሰፍሩ ጽልዋ ዘሕድሩ ዝበለቶም ሰነዳት ከምኡ’ውን ታሪኻውን ባህልዋውን ረብሕኦም ዘረድእ ዝርዝር መብርሂ ኣቕሪባ’ያ። ኣብ 21 ነሓሰ 2010 ኣቆጻጽራ ግእዝ ድማ ጸዋታታት ኣሸንዳ፣ ኣሸንድዬ፣ ዓይኒዋሪ፣ ማሪያን ሶለልን ብሄራዊ ውርሻታት ብዝብል ከምዝተመዝገቡ ይግለጽ። ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ግን ብሰንኪ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ እቲ ብዓል ከምቀደሙ ዝጽንበለሉ ዕድል ኣይተረኽበን። እቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራን፡ ሰፊሕ ምፍንቓል ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ይርከብ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝተፈላለዩ መጸውዒ ኣስማት ዝወሃቦ እዚ በዓል: ኣብ ትግራይን ኣምሓራን ዝርከባ ደቂኣንስትዮ ናብ ኣደባባያት ብምውጻእ ብጓይላ እናተጻወታ ናጽነተን ዝእውጃሉ ቅነ ከምዝኾነ ይፍለጥ። ምድላዋት እቲ በዓል ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝፈላለ እንተኾነ’ውን ብቐንዱ ግን ኣብ 16 ነሓሰ [ኣቆጻጽራ ግእዝ] በቢዓመቱ ይኽበር። ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ድማ ይጸንሕ። ኣብ ትግራይ - ኣብ ከባብታት እንደርታ ተምቤን ካልኦት ከባብታት ትግራይ ኣሸንዳ፤ ኣብ ኣኽሱም ዓይኒዋሪ፤ ኣብ ዓዲ ግራት ድማ ማሪያ ዝባሃል ኮይኑ፤ ኣብ ክልል ኣምሓራ - ከባቢ ዋግ ህምራ ሻደይ፤ ላስታን ላሊበላን ኣሸንድዬ ከምኡ’ውን ኣብ ራያ ቆቦ ሶለል ብዝብል ይጽዋዕ። ብፍላይ እቲ ኣሸንዳ፣ ኣሸንድዬ ወይ ሻደይ ዝብል ስያመ መሰረቱ፡ ካብቲ ቆልዑ ኣሸንዳ ኣብ ዙሪያ መዓንጠአን ዝዓጥቅኦ ቆጽሊ ከምዝኾነ ይዝረብ። ኻልእ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ እንተኾይኑ ድማ እቲ ስያመ ካብቲ ቆልዑ ኣሸንዳ ከቢበን ዝጻወትኦ ባህላዊ ጸዋታ’ዩ ተወሲዱ። ኣጀማምራ እቲ በዓል እቲ በዓል ኣብ ትግራይን ኣምሓራን ብስፍሓት ዝኽበር ኮይኑ፡ ኣብ ኣጀማምርኡ ወይ ታሪኻዊ ኣመጻጽእኡ ብዝምልከት ግን ዝተፈላለዩ ታሪኻዊ፣ ባህላውን ሃይማኖታውን ትንታነታት ይቕርቡ። ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣብ ዝነበረ እዋን ንምዝዛም እዋን ክረምትን ምእታው ሓጋይን ምኽንያት ብምግባር ብታሕጓስን ፌስታን ዝኽበር በዓል ከምዝነበረ ዝገልጹ መረዳእታታት’ኳ እንተሃለዉ፡ ካልኦት ድማ ምስ ሃይማኖት ክርስትና ከምዝተሓሓዝን ኣብቶም እቲ በዓል ዝኽበረሎም ቦታታት ክርስትና ድሕሪ ምትእትታዉ ከምዝተጀመረን ይግለጽ። ነቲ በዓል ምስ ሃይማኖት ዘተሓሕዝዎ ኣከላት፤ እቲ መዓልቲ ኣብ 16 ነሓሰ ምዃኑ ምስ እርገት\/ፍልሰት ማርያም [ብሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ መዛዘሚ ጾመ ፍልሰታ] የተሓሕዝዎ። ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣብ ዝነበረ እዋን ዝኽበር ዝነበረ በዓል ከምዝኾነ ዝሕብሩ ኣካላት ብወገኖም፤ ኣብ ዘመነ ኖህ ዘጋጠመ ናይ ጥፍኣት ማይ ምጉዳሉ ክተበሰር ርሑስ ሳዕሪ ሒዛ ንዝተመለሰት ርግቢት መሰረት ይገብሩ። ከምዚኦምን ካልኦትን ዝበሉ ታሪኻዊ ሓበሬታታት ብስፍሓት ዝዝረቡ ኮይኖም፤ ዋላ’ውን ብስፍሓት ምስ ሃይማኖት ክርስትና ብምትሕሓዝ እንተተገለጸ፤ ነቲ ባህላዊ ውርሽኡ ብምዝካር ግን ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ምስ ክርስቲያን ኮይነን ይጻወታ። ነቲ በዓል ኣብ መዝገብ ዩኔስኮ ንምስፋር ዝተዳለወ ሰነድ፡ ኣሸንዳ\/ሻደይ ንህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ዘተኣሳስር ሓበራዊ ክብሪ ከምዝኾነ የመልክት። ቁሩብ ብዛዕባ ኣኼባ ዩኔስኮ ኮሚቴ ዘይድህሰሱ ባህላዊ ሓድግታት\/ውርሻታት ብ 04 ታሕሳስ ዝጀመረ ኮይኑ ክሳብ 09 ታሕሳስ 2021 [ኣቆጻጸር ግእዝ] ክቕጽል’ዩ። ኣብቲ ኣኼባ ተወከልቲ መንግስታት፣ ዘይመንግታውያን ትካላት፣ ትካላት ባህሊን ካልኦት ሰብብጽሒትን ዝርከብዎም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ተሳተፍቲ ይርከቡ። ዌብሳይት ዩኔስኮ ከምዘመልክቶ፡ ዘይድህሰሱ ባህላዊ ሓድግታት\/ ውርሻታት ኣብ ዝብል መዝገብ ንኽሰፍሩ ዝሓቱ 48 ሰነዳት ቀሪቦም ኣለዉ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59671097"} {"headline":"ንበዓል መስቀል ሓዊሱ ኢትዮጵያ ኣብ ዩኔስኮ ዘመዝገበቶም ሓድግታት","content":"ኣብ ኢትዮጵያ መስከረም 17 [ብኣቆጻጽራ ግእዝ] በዓል መስቀል እንትኽበር፡ መዓልቲ ቱሪዝም ዓለም ድማ ተኸቢሩ ይውዕል። ኣብ ዓለም 'ትኪ ኣልቦ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓውዲ ቱሪዝም ንምትብባዕ ሃገራት ዝተፈላለየ ጻዕርታት ክገብራ ይረአያ። ኣብዚ ዕለት'ውን ኩሉ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ነናይ ባዕሉ ታሪኽ፣ ባህልን ክብርታትን ከላልን ከፋልጥን ይፍትን። ኢትዮጵያ ብዙሓት ጸጋታት ዝተዓደለት ከም ምዃና መጠን፡ ኣብ መዝገብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህልን [ዩኔስኮ] ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ዝተፈላለዩ 13 ሓድግታት ኣመዝጊባ ትርከብ። እቶም ሓድግታት ካብ ኣክሱም ክሳብ 'ታሕተዋይ' ኦሞ ሓጓፍ ሽንጥሮ ይጥቀሱ። ካብ ሞንጎኦም ዘገርሙ መልከኣ-ምድራዊ ኣቀማምጣ፣ ከባቢያዊ ኣየርን፣ ዝተፈለየ እንስሳት ዘገዳም ከምኡ'ውን ስፍራታት ዓጽመ-ቅድመ ሰብ ይርከብዎም። [መዘከርታ፦ ኣብዚ ዛንታ ዘሎ ኣቆጻጽራ ብሙሉኡ ብግእዝ እዩ] 1. ካብ ከውሒ ዝተፈልፈሉ ኣብያተ ክርስትያናት ላሊበላ ካብ ከውሒ ተፈልፊሎም ዝተሰርሑ ኣብያተ ክርስትያን ላሊበላ፡ ኣብ 1978 ዓ.ም እዮም ሓደግታት ዓለም ኮይኖም ተመዝጊቦም። እዚ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ካብ ኣዲስ ኣባባ ብ645 ኪሎሜትሮ ዝርከብ ኮይኑ፡ ሰብ ሰራሕን ተፈጥሮኣውን ሓደጋታት ገጢምዎ ከም ዘሎ ይዝረብ። 2. ብሄራዊ ሕዛእቲ 'እምባታት ሰሜን' ብሔራዊ ፓርክ 'እምባታት ሰሜን' ኣብ 1978 ኣብ ዩኔስኮ ዝተመዝገበ ኮይኑ፡ ኣብ 2009 ዓ.ም ኣብ ዝርዝር ንሓደጋ ኣብ ዝተቓልዑ ሓድግታት ተኻቲቱ ነይሩ። ኣብዚ ሕዛእቲ ጉድለት ሓለዋ፣ ብጨፍጫፍ ኣግራብን ብሰንኪ ሕርሻዊ ንጥፈታትን፡ እቶም እንስሳት ዘገዳም እናተሰደዱ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ከም ዝርከቡ ዘስተውዓለ ዩኔስኮ፡ ኩነታት እቲ ፓርኪ ብፍላይ፡ ዋሊያ ኣይቤክስ፣ ናይ ሰሜን ቀይሕ ቡኻርያን ቁጽሪ ካልኦት መጥበውቲ እንስሳትን ስለ ዝተመናመነ እዩ ንሓደጋ ዝተቃለዐ እዩ ተባሂሉ ነይሩ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ብሄራዊ ሕዛእቲ፡ ብዙሓት ኣዕዋፍ ዝሓዘ ኣውሊዕን ኣውሕን ዝርከቦ ኯይኑ፡ 138 ትርብዒት ኪሎ ሜትር ይሽፍን። 3. ቐጽሪ ቤተ መንግስቲ ፋሲል ቐጽርን ቤተ መንግስትን ፋሲል እውን ብ1979 ዓ.ም እዩ ኣብ ዩኔስኮ ተመዝጊቡ። እዚ'ውን ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ 748 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት እዩ ዝርከብ። እዚ ኣብ ከተማ ጎንደር ዝርከብ ኣብ ማእከላይ ዘበን ማእከል ንግስና ዝነበረ፡ ብ900 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ሓጹር ዝተኸበበ ኾይኑ፡ 12 መእተዊ በሪ ኣለዎ። ጎንደር ብ1632 ኣብ እዋን ንጉስ ፋሲለደስ፡ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ዝነበረት ኮይና ኣብ 16ን 17ን ክፍለ ዘበን 'ፋሲል ግቢ' መንበሪ እቶም ነገስታት ከምዝነበረ ይዝረብ። 4. ኣክሱምን ሓወልታትን ኣክሱም ሰው ዝሰርሖ ጥንታዊ ከተማ ኮይኑ ሰፊሕ ናይ ስነ ኳዕቲ ቦታን ካብ ሓደ እምኒ ዝተፈልፈሉ ሓወልታትን ይርከብዎ። ኣክሱም፡ ብ1980 እዩ ኣብ መዝገብ ዩኔስኮ ሰፊሩ። ኣብ ማእከላይ ዞባ ክልል ትግራይ ዝርከብ ኮይኑ፡ ልዑል ምህዞ ወዲ ሰብ ከምኡ'ውን ወሳኒ ናይ ታሪኽ ምዕራፍ ዘመልክት ሰነዳት የመልክቱ። ጥንታዊት ርእሰ ከተማ ዝነበረት ኣክሱም፡ ተመራምቲ ከም ዝገልጽዋ፡ መንበሪ ሓያል መንግስቲ፣ ካብኡ ቀጺሉ ድማ ማእከል ሃይማኖታዊ መንግስቲ ሕዚ'ውን ማእከል ሃይማኖት ኯይና ቀጺላ ኣላ። 5. ታሕተዋይ ሓጓፍ ሽንጥሮ ኣዋሽ ታሕተዋይ ሓጓፍ ሽንጥሮ ኣዋሽ፡ ፍልይ ዝበለ ተፈጥሮ ዝርከበሉ ስፍራ እዩ። ጥንታዊ ዓጽመ ቕድመ-ሰብ ዝርከበሉ ስፍራ ኮይኑ፡ እቲ ከባቢ ተኸታተሊ መጽናዕቲ ይካየደሉ ኣሎ። እዚ ኣብ ክልል ዓፋር ዝርከብ ኮይኑ ብ1980 ተመዝጊቡ። እቲ ስፍራ ኢትዮጵያ፡ መበቆል ጥንታዊ ሰብ ዝርከበላ ምዃና ዘመልከት ኮይኑ፡ ኣብ 1974 ዓ.ም 3.2 ሚልዮን ዕድመ ዘቑጸረት ሉሲ፣ 4.4 ሚልዮን ዓመታት ዘቑጸረት ኣርዲ ተረኺበን። 3.6 ሚሊዮን ዓመታት ዘቁጸረት ህጻን ሰላም'ውን ኣብዚ ከባቢ እያ ተረኺባ። 6. ትኹል እምኒ ጢያ ትኩል እምኒ ጢያ፡ ከኣ ናይ ባህሊ ማእከል እዩ። አ እዚ ኣብ ደቡብ ክልል ዝረርከብ ስፍራ፤ ብ1980 እዩ ኣብ ኡኔስኮ ተመዝጊቡ። ኣብቲ ስፍራ ዝርከቡ ትኩላት ኣእማን መጠን ዝተፈላኄ ኾእኑ ቁጽሮም 36 እዩ። ኣብ ልዕሊ እቶም 32 ትኹል ኣእማን ዝተፈላለዩ ምስልታት [ማለተ'ውን ጎራዴ፣ ጦር፣ ወርሒ፣ ፀሓይ፣ ናይ ኢድን ካልኦት እንታይነቶም ዘይፈለጡ ምስልታት ተስኢሎምዎም ይርከቡ። 7. ታሕተዋይ ኦሞ ሓጓፍ-ሽንጥሮ ካልእ ኣብ መዝገብ ዩኔስኮ ዝተመዝገበ ታሕተዋይ ኦሞ ሓጓፍ ሽንጥሮ እንትኸውን፡ ኣብ 1980 እዩ ከም ሓድጊ ኾይኑ ተመዝጊቡ። ኣብ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ዝርከብ እዚ ታሪኻዊ ስፍራ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ 1000 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ይርከብ። እቲ ቦታ ብዛዕባ ኣመጻጽኣ ወዲሰብ ብዝምልከት ንዝካየዱ ምርምራት ዕዙዝ ቦታ ዝወሃቦ እዩ። ልዕሊ 2.4 ሚልዮን ዓመታት ዘቑጸሩ ጥንታዊ ሓድግታትን ናይ ገዛ ኣቒሑትን ከምኡ'ውን ዓጽመ-ቅድመ-ሰብ ይርከቦ። ጥንታዊ ከተማ ሃረር ጀጎል፡ ብጥንታዊ ደገኣፉን ኣዳራሻቱን ባህላዊ ሓድጊ ኮይኑ ኣብ ዩኔስኮ ተመዝጊቡ ይርከብ። እዚ ኣብ 2006 ዝተመዝገበ ታሪካዊ ሓድጊ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ 525 ርሒቑ እዩ ዝርከብ። እዛ ጥንታዊት ከተማ፡ ኣብ መበል 7ይ ክፍለ ዘበን ዝተመስረተት ኮይና፡ ብደጎል ዝተኸበበት እያ። እታ ከተማ፡ ንብዙሓት ዘበናት ማእከል ንግዲ ኮይና ዘገልገለት ኮይና፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ማእከላይ ምብራቕ ተራኽብ'ውን ወሳኒት ከተማ እያ ነይራ። መልከኣ ምድራዊ ኮንሶ፡ ብዛላታት ዝተሓጸሩ መንደራት ዘለውዎ ኮይኑ፡ ብ2011 ዓ.ም ባህላዊ ሓድጊ ኾይኑ ተመዝጊቡ። እዚ ኣብ ደቡብ ክልል ዝርከብ ኣብ ውሽጡ ብዙሕ ታሪኻዊ ሓድግታት ዝሓዘ ታሪካዊ ቦታ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ 595 ርሕቐት ዝርከብ እዩ። ሃይማኖታዊ ክብረ በዓል መስቀል፡ ዓስራይ ባህላዊ ሓድጊ ኾይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ። መስቀል ባህላዊ ክብረ-በዓል ኮይኑ ዝተመዝገበ ናይ መጀመርታ ዘይድህሰስ ባህላዊ ሓድጊ እዩ። መለወጢ ሓድሽ ዓመት ሲዳማ ዝኾነ ፍቼ ጨምባላለ በዓል፡ ኣብ 2008 እዩ ኣብ ናይ ወዲ ሰብ ወካሊ ባህሊ ኮይኑ ተመዝጊቡ። ፍቼ ጫምባላላ በዓል ኣብ ውሽጡ ብዙሓት ካልኦት ባህላዊ ክብርታት ሓቚፉ ዝሓዘ ክብረ በዓል እዩ። 12. ስርዓት ገዳ ስርዓት ገዳ፡ ኣብ ሕዳር 2009 ኣብ ዩኔስኮ ዝተመዝገበ ኾይኑ፡ ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ነዊሕ ዘበናት ዘማዕበሎም ባህላዊ ሓድጊን፡ ብቐንዱ ናይ ምሕደራ ስርዓትን እዩ። ኣብ መዓልታዊ ህይወት እቲ ማሕበረሰብ'ውን ዓቢ ኣወንታዊ ጽልዋ ከም ዘለዎ ይዝረብ። እቲ ስርዓት፡ ኣብ ውሽጡ ሃይማኖታዊ ባህላዊን ሕጋውን ክብርታት ዝሓዘ እዩ። ከምኡ'ውን ካብ ውልደት ጀሚሩ፡ ክሳብ ሽምግልና ናይ ሰባት ናይ ስልጣን ብርክታት የመልከት። ኣብ ውሽጡ ዋቄፈናን ኢሬቻን ዝበሃሉ እምነታትን ባህላዊ ጸጋታትን ሓቚፉ ዝሓዘ እዩ። ጥምቀት'ውን ኣብ ቀረባ እዋን፡ ራብዓይ ዘይድህሰስ ባህላዊ ሓድጊ ኢትዮጵያ ኾይኑ ዝተመዝገበ ምዃኑ ይዝከር። ኣብ ወርሒ ጥሪ ብኣመንቲ ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ዝኽበር እዚ ዕለት፡ ኣብ መብዛሕትኡ ከባብታት ኢትዮዮጵያን ኤርትራን ብኣመንቲ ክርስትና ሃይማኖት ተኸቢሩ ይውዕል።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58623050"} {"headline":"ስራሕ፡ ገለ ቻይናውያን ንስራሕ ቐዳምነት ዘይህብሉ ዘለው ምኽንያት እንታይ'ዩ?","content":"\"እቲ ዘለኒ ኣሉታዊ ስምዒታት ንኽእለ እየ ዝጽዕር ዘለኹ። ሕጂ'ውን ዝዀነ ነገር ክሰርሕ ኣይደልን'የ፣ ስቕ ኢልካ በጥ በል ጥራይ'ዩ ዝመጻኒ ዘሎ። እዚ ኸኣ እዩ ባህታ ዝፈጥረለይ፡\" ይብል ጄፍ። ጄፍ [ሓቀኛ ስሙ ኣይኰነን] ኣብ በይጂንግ ኣዝዩ ልዑል ደሞዝ ዝኸፈሎ ስራሕ ምምዕባል መተግበሪ ምስ ረኸበ፡ ቅድሚ ሓያለ ዓመታት ነታ ዝዓበየላ ከተማ ሃንግዙ ገዲፉ ወጺኡ።ልክዕ ከም ካልኦት ቻይናውያን መዛንኡ ድማ ስርሑ ህይወቱ ኰነ። ነታ ዝረኽባ ንእሽቶ ግዜ ዕረፍቲ ከኣ 'ገይም ኮምፒዩተር' እናተጻወተ'ዩ ዘሕልፋ። ብሰንክ'ዚ፡ ሓድሽ ልምዲ'ዚ ድማ ህይወቱ ዘስተማቕረሉ፡ ምስ ሰባት ክቀራረብ ዘክእሎ ባህሪ ከጥሪ ኣይክኣለን፣ እንተፈተነ'ውን ኣሰልቻዊ ኰኖ። ለበዳ ኮሮናቫይረስ ድሕሪ ምኽሳቱ፡ ከም መብዛሕትኡ ሰብ፡ \"ኣብ ህይወተይ ቀዳምነት ክህቦ ዝግብኣኒ እንታይ'ዩ? ብምባል ነፍሰ-ተፍትሽ ክገብር ግድነት ነበረ።\" ጄፍ፡ ኣብ ዓዱ ምስ ዝርከቡ መተዓብይቱ፡ ብዛዕባ መዓልታዊ ውዕሎኦም ከዋግዕ ጀመረ። ንሱ ኣብ ስራሕ ጥራይ ክኸውን እንከሎ፡ ንሳቶም ግን ሽሕ'ኳ ገንዘብ እንተዘይሃለዎም፡ ገለ ሸነኽ ህይወቶም ግን ኣዝዩ ደስ ዝብል ነገር ከም ዘለዎ ተገንዘበ። እቲ ዝሰርሓሉ ትካል፡ ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ሰራሕተኛታት ክንኪ ምስ ጀመረ፡ ጄፍ ኣብ ሰሙን ካብ 60 - 70 ሰዓታት ክሰርሕ ተገደደ። ኣብ መወዳእታ ግን ተዳኺሙ፣ ዕረፍቲ ብምውሳድ ናብ ካልእ ሃገር ክጓዓዝ ወሰነ። ኣብ ቬትናም ከተማ ሆ ቺ ሚንህ ግዜኡ ኣብ ዘሕልፈሉ ዝነበረ ግዜ፡ ዓበይቲ ሰብኡት ተኣኪቦም ክዛነዩ፡ ከውግዑን ንሰዓታት ኩዕሶ እግሪ ክርእዩን ምስ ተዓዘበ ኸኣ ንነብሱ ሓተተ። ኣእምሮኡ መመሊሱ ናብኦም ይወስዶ። 'ስለ ምንታይ ኢኻ ከምኣቶም ዘይትኸውን? እንታይ ኴንካ ዘይትዘናጋዕ?' ክብል ምስ ገዛእ ርእሱ ይማጐት። ነቲ ዘሰላሰሎ ንኽገብር ከኣ፡ ናብ ዓዱ ምስ ተመልሰ ስራሕ ኣቋሪጹ፡ ሓደ ካብቶም ስርሖም ብፍቓዶም ዝገደፉ ቻይናውያን ኰነ። ኣብታ ሃገር፡ \"ታንግ ፒንግ\" ወይ ድማ \"ኣብ መሬት ምድቃስ\" ዝብል ስያመ ዝተዋህቦ ጐስጓስ ኣሎ። እዚ፡ ቻይናውያን ኣብ ክሊ እቲ ንነዊሕ ሰዓታት ዝሰርሕዎ ስራሕ ተወሳኺ ስራሕ ንምርካብን ዝያዳ ንክውፈዩን ዝገብር ማሕበረሰባዊ ጸቕጢ ንምግላጽ ዝዓለመ ኰይኑ፡ መብዛሕትኦም ግዳያት ጸቕጢ ስራሕ ይዀኑ ከም ዘለው እዩ ዝስምዖም። ምስልቻው ኣብ ስራሕ ኣብታ ሃገር ቍጽሪ ዓያዪ ሓይሊ ሰብ እናጐደለ ብምምጽኡ፡ ብዙሓት መንእሰያት ንነዊሕ ሰዓታት ክሰርሑ ስለ ዝተገደዱ እዮም ናብዚ ጐስጓስ ኣትዮም። \"ኣብዚ እዋን ሰባት ኮሮናቫይረስን ድኻምን ምጽዋር ስለ ዘህለኾም፡ ንስርሖም ዘይግዱሳት ይዀኑ ኣለው። ብሰንኩ ኸኣ ተጋዲሞም መጽሓፍ ከንብቡ ወይ ተሌቪዥን ክርእዩ ይመርጹ፡\" ትብል ተንታኒት ቢቢሲ ቻይና ኬሪ ኣሌን። ብዙሓት ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ዝነበረ ኵነታት ስራሕ ክምለሱን ህይወት ብርግኣት ክነብርዋ ከም ዝደልዩን ዝገልጹ ጽሑፋት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ገጻት የካፍሉ ኣለው። እቲ ቻይና ንነዊሕ ዓመታት ዘተግበረቶ 'ፖሊሲ ሓደ ቘልዓ'፡ መብዛሕትኦም መንእሰያት ሓው ወይ ሓፍቲ ዘይብሎም ኰይኖም ክዓብዩን ብሰንኩ ኸኣ ጸቕጢ ዝፈጥርን ኰይኑ ተረኺቡ'ሎ። ኣብ ቻይና፡ ከም ገዛ ምስራሕ፡ ቈልዓ ምውላድ ዝበሉ ባህላዊ ክብርታት ሕጂ'ውን ዓብይ ቦታ ኣለዎም። ብዙሓት ኣብ ክሊ ዕድመ 20 - 30 ዘለው መንእሰያት ግን፡ ነዚ ክብርታት'ዚ ከነዐውት ንኽእል ኢና ዝብል ተስፋ የብሎምን። እቶም ቈልዑ ንርእሶም፡ ነቶም ዕድመ ዝደፍኡ ዘለው ወለዶም ክሕብሕቡ እዮም ዝሓስቡ። ንብዙሓት ሰባት ከኣ ዋጋ ንብረት ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ይዀኖም ኣሎ። ብ2019፡ መስራቲ ቴክ ታይኮንን ዓሊ ባባን ዝዀነ ጃክ ማ፡ ባህሊ ስራሕ 996 ቻይና ዝብል ብምትእትታው ሓያል ነቐፌታ ቀሪቡሉ'ዩ። እዚ፡ ሰባት ኣብ ሰሙን 6 መዓልቲ ካብ ንግሆ ሰዓት 9፡00 ክሳብ ምሸት ሰዓት 9፡00 [ኣቈጻጽራ ኤውሮጳ] - ንግሆ ሰዓት 3፡00 ክሳብ ምሸት ሰዓት 3፡00 [ኣቈጻጽራ ኢትዮጵያ] ክሰርሑ ማለት እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገርን ሚኒስትሪ ሰራሕተኛታትን እዚ ዘይሕጋዊ'ዩ ክብሉ ወሲኖም። ጄፍ፡ ነቲ ኣብ በይጂንግ ዝነበሮ ስራሕን ህይወትን ደው ዘበለሉ ምኽንያት ክገልጽ እንከሎ፡ \"ነቶም ሕጂ ዘለው ሕግታት'የ ተቓውሞይ ዝገልጽ ዘለኹ። ብዙሕ ክትመሃርን ኣበርቲዕካ ክትሰርሕን ኣለካ ዝብል ንዘይምቕባል'ዩ፡\" ይብል። እዚ፡ ኣብ ቻይና ሓንኳሊ ወይ መነዓዓቢ ሓሳብ ተባሂሉ እዩ ዝውሰድ። ፕረሲደንት ዢ ጂንፒንግ፡ ፡ \"ኵሉ ሰብ ዝሳተፈሉ ኵነታት ልምዓትን ብዙሓት ሰባት ሃብቲ ዘጥርዩሉ ዕድል ዝፈጥር ማሕበራዊ ደረጃታትን ተጠናኺሩ ክቕጽል ኣለዎ። ምብኳር ካብ ስራሕ ዝበሃል ከኣ ፍጹም ክውገድ ኣለዎ፡\" ክብል ኣብ ጋዜጣ ኮምዩኒስት ፓርቲ ኣጠንቃቒ ጽሑፍ ኣስፊሩ እዩ። ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ሚሊዮናት ሰራሕተኛታት ጥሮታ ይወጽኡ፣ ስርሖም የቋርጹ ወይ ትርጕም ዘይብሉን 'ኣየርብሐናን' ዝበልዎ ስራሕን ይነጽግዎን ብምህላዎም፡ \"ዓቢይ ምቍራጽ ስራሕ\" ይርአ ከም ዘሎ ሰብ ሞያ ይገልጹ። እዚ ኣብ ቻይና ዝርአ ዘሎ ጐስጓስ 'ኣብ መሬት ምስጣሕ' ኣካል እዚ'ዶ ይኸውን? ተመራማሪት ኢንስቲትዩት ቻይና፣ ዩኒቨርሲቲ ለንደን ዶክተር ላውረን ጆንስቶን ነዚ መበገሲ ዝዀኑ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ከም ዘለው ትገልጽ። እቲ ሓደ፡ ኣብ በይጂንግ ወይ ሻንጋይ ብዙሓት ካብ ገጠር ዝፈለሱ መንእሰያት ምህላዎም ክኸውን እንከሎ፡ እዚኦም \"ገዛ ከግዝኦም ዝኽእል እዅል ገንዘብ ኣብ ምውናን ወይ'ውን ከምቶም ደቂ ኸተማ፡ እንግሊዘኛ ክዛረቡን ዘመናዊ ክዳን ክኽደኑን ናይ ምድላይ ንሕንሕ ኣለዎም፡\" ትብል። ካብዚኦም፡ ገለኦም ኣብ ክንዲ ምስ ወለዶም ዝነብሩ ናብ ዓዶም ተመሊሶም ዝተሓተ መሃያ ዝኽፈሎ ስራሕ ክሰርሑ ይደልዩ። ብኻልእ ወገን ደቂ ሃብታማትን ዕውታትን ስደራ ዝዀኑ ቈልዑ ኣለው። \"እዚኦም ግን፡ ከምቶም ካብ ድኻታት ስድራቤታት ዝመጽኡ ኣዝዮም ዕውታት ዝዀኑ ቘልዑ ህንጡያት ኣይኰኑን፡\" ከኣ ትብል። ብተወሳኺ፡ እቲ 'ነብሪ' ብዝብል ዝፍለጥ ባህሊ ቻይና፡ ወለዲ ደቈም ዝያዳ ዕውታት ንክዀኑ ትምህርቲ ጥራይ እዅል ኣይኰነን ብዝብል ገምጋም፡ ኣብ ሕሳብ፡ ቋንቋታት ቻይናን እንግሊዘኛን ከምኡ'ውን ሙዚቃ ተወሳኺ ትምህርቲ ክረኽቡ ንምግባር ኣብ ሓያል ጸቕጢ ከም ዘእትውዎም ትገ ጄፍ፡ ወለዱ ድሕሪ ዝፈጠርሉ ጸቕጢ ካልእ ስራሕ ክጅምር ተገዲዱ እዩ። ይዅን'ምበር ፍርቂ እቲ ኣቐዲሙ ዝረኽቦ ዝነበረ እቶት ዝረኽበሉ ስራሕ ኰይኑ፡ ዝፈትዎም ነገራት እናገበረን ንገዛእ-ርእሱ ግዜ እናሃበን ይሰርሕ ምህላው ይገልጽ።ልጽ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60452887"} {"headline":"ባህሊ፡ ታሪኻዊ መበገሲ ብህዝቢ ኦሮሞ ዝኽበር በዓል ኢሬቻ እንታይ ይመስል?","content":"ሰራዊት በቀለ (ዶ\/ር) ኣብ ኢሬቻ ዘተኩርን ንመዛዘሚ ሳልሳይ ዲግሪ ዝገበረቶ መጽናዕቲ “Locating politics in Ethiopia’s Irreecha ritual” ብዝብል ኣርእስቲ ከተሕትሞ እንከላ፤ ንዓለምለኻዊ ሽልማት’ውን ተሓጽዩ ነይሩ። ሰራዊት ነቲ መጽሓፍ ናብ ኣምሓርኛን ኦሮምኛን ንምትርጓም ሓሳብ ከም ዘለዋ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበራ ጻንሒት ተዛሪባ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54354119"} {"headline":"መጽናዕቲ፡ \"ነብሶም ዘተዓባብዩ\"፡ ስራሕ ዘይሰርሑ ሰባት'ዮም","content":"ኣብ ናይ ስራሕ ቦታኹም ዝገጥምኹም ሰባት ከመይ ዝበሉ እዮም? ንርእሶም ዘጉልሕ መልእኽቲ ኢንተርነት [ኢሜይል] ዝጽሕፉ'ዶ ወይስ፡ ንርእሶም ክብ ክብ ዘብል ኣነነት ዘንጸባርቑ? ተመራመርቲ ግን፡ ኣብ ስራሕ ቦታ፡ ስራሕ ዝበዝሖምን ዕውታትን መሲሎም ዝርኣዩ ግን ድማ ዝረብሕ ነገር ከይሰርሑ ዝውዕሉ ሰባት'ዮም ዝበዝሑ ኢሎም ኣለው። እዚ 28 ናይ ስራሕ ቦታታት ዓዲ ኢንግሊዝ ዘሳተፈ መጽናዕቲ፡ \"ኣብ ስርሖም ዝያዳ ዝተጸምዱ\" ዝመስሉ ሰራሕተኛታት ረኺቡ'ዩ። ኣብ ከይዲ፡ ጉዶም እትጻረ ግን፡ \"ነብሶም ዘተዓባብዩ\" ኾይኖም'ዮም ተረኺቦም። ቤት ትምህርቲ ቢዝነስ ኢንተርናሽናል ሃልት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሴክተራት ማለት'ውን ጥዕና፣ መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈት፣ ዘይመንግስታዊ ትካላት፣ መጓዓዝየያን ካልኦትን ብምኻድ'ዩ ነዚ መጽናዕቲ ኣካይዱ። ገለ ትጉሃት ሰራሕተኛታት'ኳ እንተረኸበ፡ እዚኦም ግን ብስርሖም ኣፍልጦ ዘይረኸቡ'ዮም። እዞም ዘዕግብ ስራሕ ዝሰርሑ ዘለው መሲሎም ዝርኣዩ ሰባት፡ ኣብ ኣኼባ ዘረባ ዘብዝሑ'ዮም ተባሂሉ ኣሎ። ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት፡ ኣብ ኣኼባታት ወይ ድማ ናይ ሓባር ኣብ ዝኾኑ ዝርርባት ናይ ርእሶም ረብሓ ንምሕላው፡ ቦታ እንትውስዱ ይርኣዩ። ኾይኑ ግን፡ ካብ ከምዚኦም ዝበሉ ናይ ሓባር መድረኻት ወጸእ፡ ንርእሶም እንታይ ከም ዘዐወቱ ንምርኣይ ኣጸጋሚ'ዩ ይብሉ እቶም ተመራመርቲ። ተመራማሪት ዶክትር ኣሚ ኣርምስትሮንግ፤ ገለ \"ነብሶም ዝፈትው\" ሰባት፡ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ዝህሉ ሓበራዊ ስራሕን ውጽኢታውነትን ዘዳኽሙ'ዮም ብምባል፡ ኣብ ስራሕ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣለዎም ኢላ። እዚ'ውን ኮይኑ ግን፡ ኣብ ዝሰርሕሉ ቦታ ብዘሎ ምምሕዳር ክተባብዑ ክገጥሙኻ ይኽእሉ። \"ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ [ብልሽው] ባህሪኦም ናእዳ ይረኽቡ'ዮም\" ኢላ ዶክተር ኣርምስትሮንግ። እዞም ኣብ ቤት ዕዮኦም፡ ናይ ስራሕ ሰባት መሲሎም ዝረኣዩ ሰራሕተኛታት ድማ፡ ዝሓሸ መሃያ፣ መተባብዒ ክፍሊትን፣ ዕብየትን ይረኽቡ። እዞም ኣብ ኣኼባታት ነብሶም ኣብ ምንኣድ ግዘኦም ዘጥፍኡ ሰራሕተኛታት፡ ካብቶም ኣብ ዕዮኦም ዘድህቡ መሳርሕቶም ዝያዳ ተጠቀምቲ'ዮም። እዚ ግን ይብሉ እቶም ተመራመርቲ፡ ናይ ስራሕ ቦታ መንፈስ \"ሓበራውነት' ዘህስስ'ዩ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-46629473"} {"headline":"ዶክተር መስቀሉ፡ መቑሕ መፃወድያ ዝፈንፀሐት ቆቛሕ","content":"ጓል እንተወሊድኪ ንወደይ፤ ወዲ እንተወሊደ ንጓልኪ ኢሎም ይመፃብዑ። ሓረስታይ ኪዱ ገብረትንሳኤ ዝወለድዋ ምጭውቲ ማማይ፡ መፅበዓ ኰይንዎም ንወዲ ሂቦምዋ። ሕፅይቲ ኰነት። ዓዲ ሕማኣ ብርኪ ፈልያ ክርእዩ ተሃንጠዉ። ን 'ሕፅይቲ ወዶም' እግሪ እግራ እናቋመቱ ከም መርዓት ዓይኖም ሓብሐብዋ። ንሳ ወላ እኳ ነገር ቈልዓ ኣብ ጐልጎል ፈፈው እናበለት፡ ሓመድ ኣዝርያ፡ ጭቃ ኣብኵዓ ከም ብተይ እንተነጠረት፡ ሕፅይቲ ምዃና ግን ዓዲ ይፈልጥ እዩ። ኣብ ክሳዳን እዝናን ዝኣሰረቶ ማርዳን ቀለበትን ምልክት ሕፀ ኣንጠልጢላ እያ ትዕንድር። ማማይ መስቀሉ 'ደው ኢላ ዳዕሮ' ተባሂላ ሕምባሻ ኣብ እንግደዓኣ ተቘሪሱ ተራር ምዃና ኣመስከረት። ኣድላይነት ኣስኳላ ብዙሕ ዘይተረደአ ማሕበረሰብ፡ ዕድሚኣ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ እኳስ ናብ እንዳ ተምሃሮ ተጋህ ኢሉ ኣይለኣኻን። ደጊም ሕፅይቲ ምዃና እውን ወላ ብቕጥዑ ኣይትረዳኣዮ ግን ትፈልጥ ነይራ። ክዳንን ኮረመለን ሒዞምላ ንዝመፅኡ ዓዲ ሕማኣ ግን ትፈትዎም ነይራ። እቲ ንማለቱ ዝተነድቀ ቤት ትምህርቲ ነዊሕ ተጓዒዝካ እዩ ዝርከብ። ብዕድመ ካብ መስቀሉ ትዓቢ ሓንቲ ቈልዓ ነይራ፤ እታ ቈልዓ ናብ ቤት ትምህርቲ በይና ከይትኸይድ እሞ ከይፅምዋ፡ መስቀሉ መኻይዳ ክትከውን ሓረይዋ። መንፈቕ ዓመት፤ ምስታ ቈልዓ እናተኸልኰለት ዘጓሕ በለት። ኣብ ካልኣይ መንፈቕ ዓመት ግን፡ መኻይዲ ዝተሓስበት ቈልዓ ቆቛሕ መሲላ ዝተረኣየቶም መምህር ጥራዝን እርሳስን ሒዛ፡ ኣስኳላ ሀ ኢላ ክትጅምር ፈቐዱ። ኣብ ሰቖጣ (ክልል ኣምሓራ) ተወሊዳ፤ ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ኣብኡ ተማሂራ። ካብቶም ካብ ሓሙሽተ ዘይዛይዱ ኣብ ክፍሊ ዝነበሩ ተምሃሮ፡ ፀብለልታ ኣርኢኺ እናበሉ እንትሽልምዋ ኣይትርስዖን። ካብኡ ንደሓር ናብ ጣንቋ ኣበርገለ (ክልል ትግራይ) ሰጊራ \"እናተመሃረት እንዳ ኣቦ ሓጎኣ ትሓግዝ\" ተብሃለ። ብምኽንያት ምቕያር ከባቢ ካብ ኣምሓርኛ ናብ ትግርኛ ኰይንዋ ቋንቋ ክሳብ ትመልኽ ድማ ካልእ ሸከም ተዳዕነና። ስና ነኺሳ ሻምናይ ክፍሊ በፀሐት። ዓዲ ሕማኣ ደጊም ምህሮ ካብ ወደአት፡ በቕሊ ሸሊሞም ወራዲ መርዓ ናብ እንዳ ጓል ክኣትዉ ተሰናድኡ። ብኣንፃሩ ድማ እታ ቆቛሕ መስቀሉ፡ ርእሳ ስለዘቕነዐት ደጊምማ ፍኖተ ኣስኳላ ኣይሰድድን ኢላ ሓንገደት። ተስፈኦም ዝመንመነ ዓዲሕማኣ ዳርጋ ኣብ ሻውዓይን ሻምናይን፡ ጥራዝን እርሳስን ምዕዳግ፡ ጀርሲን ሳእንን እናንጠልጠልካ ምምፃእ ኣብኰሩ። እታ ቆቛሕ እውን ካብቲ መፃወድያ ክትወጽእ ኣፀቢቓ ምስ ልባ መኸረት። መፍትሒ መሲሉ ዝረኸበቶ ድማ፡ ብትምህርታ ንፍዕቲ ክትከውን ከምዘለዋ ጥራይ ምዃኑ ኩልዕ ኢሉ ተገሊፁላ። ፃዕራ ተመሲሉላ ድማ ሓንቲ ካብቶም በላሕቲ ተምሃሮ ኰይና ናብ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ኣተወት። ቃላሚኖ ካብ ምሉእ ትግራይ ዝለዓለ ውፅኢት ዝመዝገቡ ተምሃሮ ሻምናይ ክፍሊ ዝመሃርሉ፡ ኣብ መቐለ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ እዩ። ወለዲ መስቀሉ፡ ነቶም ኣብ ማህፀን ኣደኣ እንከላ ዘሕፀይዋ፡ እሞ ድማ ብዓዲ ሕማኣ ተሓብሒባ ዝዓበየት ሰገን ኣይንህብን ንዘይምባል ብስኽፍታ ናብ ዝኣትውዋ ጨነቖም፤ ብሰንኪ ሕፍረት ናብ ፅፍሪ ኢዶም ኣትዮም ክሕብኡ እውን ኣይፀልኡን። \"እሞ ወላ ንዓመታ እንዶ መዓልቲ መርዓ ይቈረፅ\" እናበሉ ከደናጉዩ መረፁ። ቁርፂ ምስኰነቶም ዒም ዝበለ ይተሓጐም እምበር ጐርዞ ትሕቲ ዕድመ ኢያ ኣይትምርዖን ተባህለ፤ ብምትሕብባር መማህራን ንፖሊስ ኣመልኪቶም፡ ጓልያቱ ሓሳብ ልባ ሰሚሩላ ካብ ተንብየን ጣንቋ ኣበርገለ ናብ መቐለ ደበኽ በለት። ዓዲሕማኣ እውን \"ደጊም ከም ጡብ ኣደኻ ቅበፃ\" ኢሎም ንወዶም ኣርዲኦም፤ ናብ ግራቶም ወፈሩ። መስቀሉ ሳልሳይ ክፍሊ እንከላ፡ ኣደኣ እግሪ ተከል ማማይ ሓዚላ፡ ብፅሕቲ ወርሒ ነብሰፆር ኰይና፡ እሞ ድማስ ማይ ክትሓውር ንሩባ ትወርድ። መስቀሉ ድማ ጥራዛ ሓቝፋ ካብ ቤት ትምህርቲ ክትምለስ ጐረብባቲ ይርእያ። ጉድ ዓይኒ ኰይንወን፡ \"ኣደኺ ተፀጊማ እናረአኽስ ኣጥዒሙልኪ ድዩ ከምቶም ኣወዳት ናብ ቤት ትምህርቲ ጠለውጠለው ትብሊ\" ኢለን ይግስፃኣ። መሰቀሉ ግና ዋዛ ኣይነበረትን፡ ፅባሕ ንጉሆ ሓኪም ኰይና \"ብመርፍእ ከምትጥርሹቐለን\" ተሓነየት። እዚ ሎሚ ምስ ዓበየት እዩ ዝንገራ ዘሎ። ኣብ ቃላሚኖ ኣርባዕተ ዓመታት ተማሂራ 12 ክፍሊ በፀሐት። ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ፅቡቕ ውፅኢት ምስ ኣመዝገበት፡ ብዘይሕሱብ እንተይኰነስ ሕልሚ ቁልዕነታ ክተግህድ እያ ሞያ ሕክምና መሪፃ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ሸውዓተ ዓመት ተማሂራ። መስቀሉ በዚ ኣየብቀዐትን። ካብ ምሉእ ተምሃሮ ሳይንስ ሕክምና ቀዳመይቲ ብምውፃእ፡ ወርቂ መዳልያ ኣብ ክሳዳ ሰቐለት። \"ትምህርቲ ሕክምና ነዊሕ ጉዕዞ እዩ ዝወስድ፤ ክሳብ ካልኣይ ዓመት ምስቲ ካብ ገጠር ዝመፃእኽዎን ሓገዝ ስድራ ዘይምርካበይን ፅግም ይብለኒ ነይሩ። ደሓር ግን ዝደልዮ ትምህርቲ ምስቲ ምዃኑን ንስድራ እውን ኣፀጊመ ስለዝመፃእኹን እንተነኣሰ ንባዕለይ ክኸውን ኢለ ብምእማን ፅቡቕ ቀፂለ። ሳልሳይን ራብዓይን ዓመት ምስ በፃሕኹ ሽልማትን መተባብዕን ክረክብ ጀሚረ። መማህራነይን መምህርተይን ድማ ይተሓጋገዙኒ ስለዝነበሩ ብድሕሪኡ ኣይፀገመንን። ብፅቡቕ ውፅኢት ድማ ተመሪቐ\" ኢላ። መስቀሉ ሓደ ማሕለኻ በቲኻ ናብቲ ካልእ ብዝሰገረት ዓወት ትፅምበል። ወላ እኳ ሓኪም ኰይና እንተተመረቐት ገና ቈልዓ ስለዝነበረት ሰባት እዚኣ ድያ ክትሕክመና ዝብልዋ ዘለዉ መሲሉ ተሰመዓ። እሞ ትምህርቲ ዘይውስኽ ኢላ፡ ሓደ ዓመት ምስ ሰረሐት ናብ ተወሳኺ ትምህርቲ ድማ ኣተወት። ንሰለስተ ዓመታት ተማሂራ ድማ ክኢላ ሓኪም ውሽጣዊ ሕማማት ኰይና ተመረቐት። ኣብ ከይዲ እቲ ትምህርቲ እናሃለወት ድማ ናፃ ዕድል ትምህርቲ ረኺባ፡ ናብ ሱዳን ከይዳ ንሓደ ዓመት ሕክምና ሕፅበት ኩሊት ሰልጢና ድማ ተመለሰት። ብዛዕባ ቀደማይ ሕፁያ ትፈልጦ የብላን እቲ ኣብ ማህፀን ኣደኣ እንከላ ዘሕፀይዋ ደሓር ምስ ዓበየት እውን ብኣካል ኣይትፈልጦን። የግዳስ ነቶም ሕፅይቲ ወድና ኢሎም ሽሉም ሕምባሻ ፀይሮም ዝመላለሱ ዝነበሩ ስድርኡ ኣይትርስዖምን። ወላ እውን ነዚኦም ዛጊድ ኣይረኸበቶምን፤ ንመፃኢ ኣበይ ከምዘለዉ ኣጣይቓ ክትረኽበም መዲባ ኣላ። እንተ እቲ ዘይትፈልጦ ሕፁያ፡ ካህን ኰይኑ፤ሓዳር ገይሩ ኣርባዕተ ቈልዑ ከምዝወለደ ጭርው ኢሉዋ'ሎ። ዶክተር መስቀሉ እውን ተመርዕያ፤ እንተስ ምስ እዝጊ መኺራ ጓል ክትብኰር፡ ወይ እውን ዳንቡሽ ተባዕታይ ክትስዕም ነብሰፆር ኢያ። \"ሞያ ሕክምና ብጣዕሚ ፅቡቕ ኢዩ፤ ኰይና ግና ምስቲ ኣብ ላዕለዋይ ሕክምና ዓይደር ዘሎ ምፅባብ ቦታ፡ ከምቲ ትደልዮ ኣይኸውንን\" ብምባል ካብቲ ትሰርሖ ዘላ ንላዕሊ ንሕብረተሰብ ክተገልግል ዘለዋ ዓሚቝ ድልየትን ሓልየትን ተንፀባርቕ። ኣብ ጉዕዞ ህይወት ዶክተር መስቀሉ፡ ሽሕ እኳ ማሕለኻን መፃወድያን እንተበዝሐ፡ ዋኒነይ ኢልካ ብፅንዓት ዝሓዝካዮ መንገዲ ኣብ ዓወትን ዕግበትን ከብፅሐካ ከምዝኽእል ይነግረና። ንሳ እውን \"ንባዕልኻ ኾይንካ፣ ንደጋዊ ፀገማት ከይተምበርከኽካ፣ ንዓላማኻ ፀኒዕኻ እትደልዮ ዕላማ ከተዕውት ትኽእል ኢኻ\" ዝብል ተሪር ቅዋም ኣለዋ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51797676"} {"headline":"ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ከምዛ ሎሚ ኣብ በዓል ኢሬቻ ቢሾፍቱ ዘጋጠመ ክስተት እንክዝከር","content":"ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ከምዛ ሎሚ በዓል ኢሬቻ ኣብ ቢሾፍቱ ኣብ ዝጽምበለሉ ዝነበረ ኣጋጣሚ ልዕሊ 50 ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ከቢድን ቀሊልን መቑሰልቲ ኣጋጢምዎም። ካብ መንጎ እቶም ካብቲ ክስተት ብህይወት ዝወጹ ዝኾነት፡ ለሊሴ ኣብዲሳ ኣብቲ እዋን ንዝነበረ ኩነታትን ብድሕሪኡ ህይወታ እንታይ ከም ዝመስልን ነጊራትና ኣላ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/54410897"} {"headline":"ናይጄሪያ፡ ባህላዊ መድሓኒት ዝሰተዩ 10 ኣባላት ሓንቲ ስድራ ሞይቶም","content":"ኣብ ምዕራባዊ ናይጄሪያ ኣብ እትርከብ ክዋራ ዝተባህለት ግዝኣት ዓሰርተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ካብ ዝተፈላለዩ እጽዋት ዝተቐመመ ባህላዊ መድሃኒት ምስ ሰተዩ ከም ዝሞቱ ፖሊስ ገሊጹ። ኣብ ሓንቲ ባዮግሩ ዝተባህለት ገጠር ከባቢ እታ ግዝኣት ክልተ ጥርጡራት፡ እዚ ምኽንያት ሞት ኮይኑ'ዩ ዝተባህለ ባህላዊ መድሃኒት: ኣብ እግራ ረኽሲ ንዘጋጠማ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ካብ እጽዋት ዝተዳለወ ውሁድ ከሕውያ ከም ዝኽእል ብምግላጽ ክትወስዶ ገይሮም። ይኹን'ምበር እታ ውልቀሰብ ነቲ መድሃኒት ክትወስድ እንከላ ዝተረፉ ኣባላት ስድርኣ'ውን በቲ ሕማም እግሪ ከይልከፉ እቲ ባህላዊ መድሃኒት ክወስዱዎ ኣለዎም ኢሎምዋ። በዚ ምኽንያት'ዮም እቶም ዓሰርተ ኣባላት እዛ ስድራቤት ነዚ መድሃኒት ሰትዮምዎ። ግና ህይወቶም ሓሊፉ። ወሃቢ ቃል ፖሊስ ግዝኣት ክዋራ ኦካሳንሚ ኣጃይ ብሮቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ባህላዊ መድሃኒት ዝወሰዱ ኣባላት ስድራቤት ህይወቶም ከም ዝሓለፈ ተዛሪቡ። እታ እግራ ዝሓመመት ሓዊሱ \"ዓሰርተ ኣባላት ስድራቤት ብዝሰተዩዎ ውሁድ ምኽንያት ሞይቶም ተረኺቦም\" ክብል እቲ ወሃቢ ቃል ንቢቢሲ ኣረዲኡ። ካብ ሞንጎ በቲ መድሃኒት ዝሞቱ ኣባላት ስድራቤት እቲ ብዕድመ ዝንኣሰ ቖልዓ ክልተ ዓመት ኮይኑ እቲ ዝዓበየ ድማ ወዲ 40 ዓመት ምንባሩ ፖሊስ ሓቢሩ። እቶም ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም መርመራ ይካየደሎም ከም ዘሎ መግለጺ ፖሊስ የመልክት። እዞም ውልቀሰባት ኣብቲ ገጠር ከባቢ ኣብ ዝርከብ ማሕበሰረብ ብባህላዊ መድሃኒት ብምድላው ዝፍለጡ ድዮም ኣይኮኑን ዝብል ገና ኣይተፈልጠን። ብዙሓት ናይጄርያውያን ብፍላይ ድማ ኣብ ገጠር ከባቢታት ዝነብሩ ሰባት ብምኽንያት ሕጽረት ግንዛበ፣ ድኽነትን ባህላዊ እምነትን ንዝተፈላለዩ ሕማማት ፈውሲ ንምርካብ ባህላዊ መድሃኒታት ይጥቀሙ። ስርዓት ጥዕና እታ ሃገር'ውን ብብዙሕ ጸገማት ዓንዩ'ዩ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57607520"} {"headline":"ጋማን፡ ረብሓን ጉድኣትን ጃፓን እትፍለጠሉ ጥበብ ጽንዓት","content":"ኣብ ጃፓን ዕለታዊ ምንቅስቓስ በቲ ኣብ ዓለም ኣዝዩ ዝተጨናነቐ ዝተባህለ መገዲ ባቡር ዝህቦ ኣገልግሎት'ዩ ዝጅምር። መዓልታዊ ኣብ ከተማ ቶክዮ ኣስታት 20 ሚሊየን ሰባት ባቡር ይጥቀሙ። ብኹሉ ኣንፈት . . . . የማነ ጸጋም ሰብን መጓዓዝያን ክጻፋዕ ክትርኢ ከለኻ ግን ውቅዒት ልብኻ ብእንግዳዕኻ ከይተረፈ እዩ ዝስምዓካ። ኩሉ ሰብ ግን ንኻልኦት ንከየተኣጓጉል ኣብ ኣፍደገ እተን ባቡራት ጸግዑ ሒዙ ተጸብዩ፤ ህድኣት ብዝተላበሰ ቕልጣፈ ናብታ ዝደልያ ይኸይድ። እቶም ጽቕጥቕጥ ኢሎም ዝተሳፈሩ ሰባት ግን ፍሒት መበሊ ክረኽቡ እሞ ጋዶ'ዩ፤ ሓሓሊፉ እግሮም መሬት ዘይረግጸሉ ኣጋጣሚ እኳ ኣሎ። ኣብዘን ክሳብ ዓንቀረን ሰብ ዝጽዓና ባቡራት ግን ሓደ ጎሊሑ ዝርኣይ ባህሪ ኣሎ። ስቕታ! ካብዚ ብዝብገስ፡ እታ ኣብ ዓለምና ኣዝያ ዝተጨናነቐት ጃፓን ርግኣትን ስርዓት ዘለዎ ባህርን መግለጺኣ ኮይኑ ይርከብ። በጻሕቲ ዓዲ፡ ንኣብነት ሰባት ብትዕግስቲ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ክጽበዩ ክርእዩዎም እንከለው ይግረሙ፤ ኣፎም ይኸድኑ። ጃፓናውያን፡ ድሕሪ'ቲ ዓለም ዘሰንበደ ራዕዲ መሬት ፉኩሺማን ሱናሚን ዝነበረ በዳሂ እዋን ሓገዝን ረድኤትን ንምርካብ እንከይተፈ ዓቕሊ ገይሮም'ዮም ተጸብዮም። ዓቕሊ ዋጋ በቕሊ እንዶ ይብሃል የለን፤ ኣብ ጃፓን ግን ዋጋ ተኸፊሉዎ'ዩ እዚ ባህሪ ክዓቢ ክኢሉ። 'ጋማን' [gaman ] ተባሂሉ ከኣ ይጽዋዕ። ብቐሊሉ፡ ውልቀሰባት ሃንደበታዊ ወይ በዳሂ ኩነታት ክገጥሞም እንከሎ እቲ ዝጸንሐ ልኡም ማሕበራዊ ርክባቶም ከይዘረጉ ትዕግስትን ጽንዓትን ከርእዩ ምኽኣል እዩ። እዚ ማለት ብምኽንያት እቲ ዘጓነፈካ ጸገም ምስ ካልኦት ሰባት ክፍጠር ንዝኽእል ዘይምርድዳእ ንምውጋድ ክሳብ ስምዒትካ ገት ኣቢልካ ምሕላፍ ዝጽበ ስብእና ምውናን እዩ። ከም ዜጋ ከኣ ካብ ነፍሲ ወከፍ ትጽቢት ዝግበርን ምልክት ብስለትን ኮይኑ ይውሰድ። ኣብ ቶክዮ ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ባህልን ፕሮፌሰር ስነ ሰብን ዩኒቨርሲቲ ሶፊያ ዴቪድ ስላተር 'ጋማን' ካብ ቁጽጽርና ወጻእ ዝኾኑ ፍጻመታት ንምምካት ዝሕግዝ ስትራቴጂ'ዩ ብምባል ይገልጾ። \"ሰባት ካብ ትጽቢቶም ወጻእ ዝኾኑ ወይ ድማ በዳህቲ ኩነታት ንምሕላፍ ምስ ነብሶም መኺሮም ናይ ምጽዋር ዓቕምን ጽንዓትን የማዕብሉ'ዮም\" ይብል። እዚ ጃፓናውያን ብዙሕ ብዘይምዝራብን ኣሉታዊ ስምዒታት ናብ ካልኦት ብዘይምምሕልላፍን ወኒኖምዎ ዝርኣይ ፍሉይ ክብሪ'ዩ ትብል ፕሮፌሰር ክሊኒካዊ ስነ ልቦና ዓለምለኻዊ ዩኒቨርሲቲ ቶክዮ ኖሪክ ኦዳጊሪ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ከም ንቡር ትምህርቲ ተወሲዱ ኩሉ ሰብ ብ'ጋማን' ካብ ቑልዕነቱ ተኾስዂሱ ይዓቢ። ወለዲ ደቆም ናይ ምምሃር ሓላፍነት ኣለዎም። ብተወሳኺ ትዕግስትን ጽንዓትን ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ተኻቲቱ ካብ መባእታዊ ትምህርቲ ጀሚሩ ይውሃብ። \"ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ብዝተኽኣለ መጠን ትዕግስትን ጽንዓትን ዝተላበስና ክንኸውን ኢና ንመሃር\" ትብል ኦዳጊሪ። ብሱሩ ሕስብ ክተብሉዎ እንከለኹም፡ ኣብ ነዊሕ ግዜ 'ጋማን' ንዘይትፈትዎ ስራሕ ወይ'ውን ባህሪ ኣዝዩ ዘሕርቐካ መሳርሕትኻ ጸይርካ ምኻድ፣ ኣብ ባቡር ወይ መኪና ድማ ልክዕ ሃለውለው እናበለ ሰላምኻ ዝኽለአካን ቆሎን ጥጥቖን እናተዛረበ ዘሰልችወካ ኣረጊትን ንኹሎም ክእል ኣቢልካ ምንባር እዩ ዝሓተካ። ክንደየኖት ኢና ነዚኣ ንጻወራ? ጓል 33 ዓመት ዮሺ ታካባያሺ በዓልቲ ሓዳርን ኣደ ቖልዑትን'ያ። ብዛዕባ ጋማን ክተውግዕ እንከላ ቖልዓ ድሕሪ ምውላዳ ንዝነበረ ግዜ'ያ ትዝክር። ኣብቲ ሽዑ እዋን ቖልዓን ስራሕን ተደራሪቡዋ ዘሕለፈቶ ግዜ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ህይወተይ ዝሓለፍኩዎ በዳሂ እዋን ክእሎ ዝኽእል'ዩ። \"ተመሊሱ እቲ ግዜ ንሱ ክዝክሮ እንከለኹ፡ ሓለቓይ ዋላ ሓደ ዝሕግዘኒ ነገር ኣይነበረን። ዝነበረኒ ኣማራጺ ስራሕ ጠጠው ምባል ነይሩ። ስድራ ቤተይን ካልኦት ኣብ ዙርያይ ዝነበሩ ሰባትን ግን የተባብዑኒ ነይሮም። ኣብ ውሽጠይ ክንደይ ዝኣክል ጋማን ከም ዝነበረ ኣይፈልጥን ነይረ\" ትብል። ጋማን፡ ካብ ትምህርቲ ቡድሂስት ዝነቅል ኮይኑ ንርእስኻ ንምቕራጽ እትገብሮ ጻዕሪ ስዒቡ ኣብ ነዊሕ እዋን ዝምዕብል ጽንዓት ንምርካብ ውልቀሰባት ነዚ ክለማመድሉ ናብ ዝኽእሉ ጉጅለታት ይሕቆፉ። ጃፓን፡ ድሕሪ ኲናት ቁጠብኣ ንምህናጽ ኣብ ዝተኸተሎ ስትራቴጂ ህንጸት ሃገር ስራሕ ዓብዪ ቦታ ዝነበሮ ኮይኑ ምስ ስድራኻ እተሕልፎ ግዜ ኣብ ስራሕ ቦታ ክውዕል ትገብር ነይራ። ብዙሓት፡ እቲ በዚ ኣቢሉ ዝማዕበለ ባህሊ ጽንዓት ከኣ መግለጺ መጻኢት ጃፓን ከም ዝኾነ ገይሮም ይወስዱዎ። \"ጃፓናውያን በዚ'ዮም ዝግለጹ፤ ግን ድማ ሕማቕን ጽቡቕን ጎኒ ኣለዎ\" ይብል ክኢላ መጽናዕቲ ገበን ዩኒቨርሲቲ ሪሾ ኖቡ ኮሚያ። ኮሚያ ንዓርስኻ ምግናሕን ምስ ጋማን ብዝተኣሳሰር ሕብረሰተብ ካባይ ይጽበዮ'ዩ እትብሎ ስነ ምግባር ምህላውን ኣብታ ሃገር ትሑት መጠን ገበን ክህሉ ገይሩ'ዩ ኢሉ ይኣምን። ሰባት ንሓድሕዶም ስለ ዝተሓላለውን ጎነጽ ስለ ዘወግዱን፡ ሓደ ነቲ ሓደ ብዛዕባ ዘርእዮ ወይ ዝህቦ መልሲ ጥንቑቕ እዩ። \"ግን ድማ ረብሓ ጋማን ብደረጃ ቅልወሰብ ምዃኑ ክንዝንግዕ የብልናን። እዚ ማለት ካብ ስራሕ ዘይክስጎጉ ወይ'ውን ምስ ሰባት ጽቡቕ ርክብ ክህልዎም ይሕግዞም'ዩ።\" ትብል ኮሚያ። እንተኾነ፡ ጋማን ኣብ ልዕሊ ውልቀሰባት ዘሕድሮ ጸቕጢ'ውን ኣሎ'ዩ። \"ጋማን ነመላኽዖ ኢና\" ትብል ኦዳጊሪ። ኣብ ጃፓን ብዙሓት ሰባት ኣብ ክንዲ ብቐጥታ ምዝራብ ካልኦት ብዛዕባ ስምዒቶም ኣንቢቦም ክርድኡዎም ትጽቢት ይገብሩ። እዚ ሓሓሊፉ ዝፈጥሮ ጸቕጢ ኣሎ'ዩ። \"ብሱሩ'ውን ልዕሊ ዓቐን ጋማን [ትዕግስትን ጽንዓትን] ኣብ ጥዕና ኣእምሮና ጽልዋ ይፈጥር'ዩ። ምኽንያቱ ሰባት ብዙሕ ኣሉታዊ ዝኾነ ነገር ኣብ ከብዶም ዝሕዙ እንተኾይኖም እቲ ጋማን ናብ ሕማም ጭንቀት ኣእምሮ [ሳይኮሶማቲክ] ክቕየር ይኽእል'ዩ\" ትብል። ወሲኻ ሰባት ዓርሶም ክገርሑ ትጽቢት ስለ ዝገበሮም ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ ምሕታት ንርእሱ ከም ስንፍና ከም ዝቑጸር ትዛረብ። ሓሓሊፉ ግን እዚ ናብ ቁጥዐ ተቐይሩ ዘቤታዊ ዓመጽን ኣብ ስራሕ ቦታ ጎነጽ ክፍጠርን ምኽንያት ክኸውን ከም ዝኽእል ተረድእ። ብኻልእ ወገን፡ ጋማን ኣብ ሓዳረን ሕጉሳት ዘይኮና ደቂ ኣንስትዮ ርእሰን ኣድኒነን ክነብራ ምኽንያት ከም ዝኸውን ይንገር። \"ሕብረሰተብና ጓል ኣንስተይቲ ትሕትና ዝተላበሰት ወይ ወረጃ ክትኸውን ትጽቢት ይገብር። ካብዚ ብዝብገስ ደቂ ኣንስትዮ ስምዒታተን ሓቢአን ይነብራ። ፍትሕ ክደልያ ከለዋ ከኣ መብዛሕትአን ንስለ ሓዳረን ስርሐን ወይ ካልእ ፋይናንሳዊ እቶት ዝረኽባሉ ነገር ጠጠው ስለ ዘብላ ይኸብደን\" ብምባል ክኢላ ስነ ልቦና ኦዳጊሪ ተረድእ። ክኢላ መጽናዕቲ ገበን ዩኒቨርሲቲ ሪሾ ኖቡ ኮሚያ ነዚ ምስቲ ሕጂ እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ጾታዊ ዓመጽን ካብ ውልቃዊ ጠለብ ንላዕሊ ማሕበረሰባዊ ግዴታ ምቕዳም ብምትእስሳር \"ጃፓናውያን ጋማን ሃገራዊ ብልጫና'ዩ ይብሉ። ሓቂ'ዩ ኣብ ሓደ ጠርኒፉ'ዩ፤ ግን ድማ ሕጂ ሰባት እንተተዛሪቦም ተነጽሎ ክገጥመና'ዩ ክስምዖ ዝገብር ኮይኑ\" ይብል። ሕጂ እቲ ሕብረተሰብ ይልወጥ እዩ ዘሎ። ቅድሚ 30 ዓመት ስራሕ ክሳብ ሕልፈት ህይወት ነይሩ። ብተለምዶ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ኩባኒያታት ተቖጺሮም ነዊሕ ሰዓታት ይሰርሑን ናይ ህይወት ዘመኖም ኣብኡ የሕልፉን። ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ቖልዑ ንከዕብያ መታን ናይ ስራሕ ዕብየት ኣብ ዘይረኽባሉ ዕዮ ይዋፈራ ነይረን። ሕጂ ግን ባት ሓዳር እናገበሩ፣ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ስራሕ ክሰርሓ ስለ ዝጀመራን ትሑት መጠን ወሊድ ስለ ዘሎን እቲ ናይ ህይወት ዘመን ስራሕ ዝብል ስርዓት ይልወጥ ኣሎ። ብዙሓት መናእሰይ ከኣ ግዝያዊ ወይ ኣብ ትርፊ ሰዓት ዝስራሕ ስራሕ'ዮም ዝመርጹ። ጋማን ሎሚ ኣይከም ቀደሙን። \"በቃ ስራሕ ትቑጸር ትስጎግ፤ ኮንትራት ትፍርም ብዝሰራሕካዮ ሰዓት ከኣ ትኽፈል\" ይብል ስላተር። ካብዚ ብዝብገስ ብዙሓት መናእሰይ ንድሕሪት እቲ ሕሉፍ ወለዶ ዝወስደና'ዩ ብምባል 'ጋማን' ንዘይምዃን ይመርጹ ኣለው።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57829677"} {"headline":"መዓልቲ ቅዱስ ቫለንታይን' ተኽብሩ ዶ?","content":"ኣብ መዓልቲ ፍቑራት ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ንግዲ ዝስቀሉ ቅርፅታት ልቢ፣ ከተማታት ዘወቅቡ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ዕምበባ ምርኣይ ፍሉይ ድምቀት ይፈጥር። ብኻልእ ወገን ድማ ሆቴላት፣ ኣብያተ ብልዕን እንዳ ኬክን፡ ፍሉይ ዝበልዎ ትሕዝቶታት ሒዞም ይቐርቡ። እንዳ ትልሂትን መስተታትን ድማ፡ ፍሉጣት ድምፃውያን ምስ እኽለ ማይ ቀሪቦም 'ንፍቑራት' ይጽበዩ። 'መዓልቲ ቅዱስ ቫለንታይን' እናተብሃለ ዝፅዋዕ እዚ መዓልቲ ፍቑራት፡ ቀይሕን ፀሊምን ሕብሪ ክዳን ብምኽዳን፡ ቀይሕ ዕንበባን ቸኮሌትን ብምልውዋጥ ብፍቑራት ዝኽበር መዓልቲ እዩ። እዚ ካብ ምዕራባውያን ዝተወረሰ ባህሊ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣቓልቦ ይረክብ ምህላዉ ብዙሓት ሰባት ይዛረቡ። ነዚ ዛንታ ቅድሚ ክልተ ዓመት ክነዳሉ እንከለና ዘዛረብናየን፤ ነባሪት ከተማ መቐለ ጓል 56 ዓመት፡ ወይዘሮ ፀጋ በላይ፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 70 ምስ ዝርከቡ በዓል እንደአን ኣይተ ተውሐሶም ገብረ፡ ን34 ዓመታት ብሓዳር ነቢሮም እዮም። ኣይተ ተውሐሶም ብዛዕባ 'ቫላንታይንስ ደይ' ዝፈልጡ እኳ እንተኾኑ፡ ወይዘሮ ፀጋ ግና ክበሃል እኳ ሰሚዐንኦ ከምዘይፈልጣ እየን ዝዛረባ። ኣብ ግዘ ንእስነተን ከምዚ ዓይነት በዓል ከምዘይነበረ እውን ይገልፃ። \"ንፉቑራት ዝተመደበ መዓልቲ ዋላ ኣይንበር ሕጉሳት ኢና ነይርና\" ይብላ። ንሰብ ሓዳር፡ ፍቕሪ በብመዓልቱ ክዝከር ዝግበኦ ምዃኑ ብምግንዛብ። \"ፍቕሪ፡ በብመዓልቱ ክብሪ ክወሃቦ ዝግባእ ነገር እዩ። ናይ ሎሚ መናእሰይ፡ ኣብዛ መዓልቲ ንፍቕሪ ዘኪሮም ብምኽባሮም ፅቡቕ እዩ\" ኢለናና። ነባሪት ከተማ ድሬዳዋ፡ ጓል 62 ዓመት በዓልቲ ፀጋ ዕድመ ወይዘሮ መሰሉ መዝለቅያ ብወገነን፡ ኣብ ናተን ግዘ ዝነበረ ኩነታት ብምዝካር፡ \"መዓልቲ ፍቑራት ኣይኮነን ዶ ከኽብር ብስሩ እቲ መዓልቲ እንታይ ከምዝኾነ እውን ኣይፈልጥን ነይረ። ኣብ ናትና ግዘ ኣይኮነን 'ዶ መዓልቲ ፍቑራት ክነኽብር ብዛዕባ ፍቕሪ እንተሓሲብና እውን ከም ገበን እዩ ዝቑፀር ነይሩ\" ይብላ። ኣብ ግዘ ንእስነተን፡ ናብ 'ጓይላ' ተዓዲመን ዝኸዳሉን ብወለደን ተታሒዘን ዝተመለሳሉን ግዜ ድማ ይዝክራ። ጓል 30 ዓመት ምስክር ታሪኩን 33 ዝዕድሚኡ ሚካኤል ገብረን፡ ብዕርክነት ኣብ ዝፀንሕሉ ግዘን ምስተመርዐዉን፡ መዓልቲ 'ቫላንታይንስ' ከምዘኽብሩ ንቢቢሲ ገሊፆም። \"ብዙሕ ብዘይተጋነነነ መልክዑ፡ ኣብ ሆቴል ሓቢርና ብምምጋብ፡ ዕንበባ ብምውህሃብ ዘለና ፍቕሪ ንገልፀሉ መዓልቲ እዩ\" ትብል መስከረም። ብተወሳኺ፡ \"ኣነ መዓልቲ ቫላንታይንስ እፈትዎ እየ፡ ግና ዝፋተው ሰባት ኩልሻብ እዮም ፍቕሮም ክገልፁ ዘለዎም\" ትብል። ድምፃዊት ብሩክታዊት ጌታሁን (ቤቲ ጂ) ድማ፡ ካብ ካልእ መዓልቲ ብዝተፈለየ፡ ነዚ ዕለት ልስልስ ዝበሉ ደርፍታት ከምዝለማመዱ እያ ትገልፅ። \"ባህልና ዋላ ኣይኹን፡ መንነትናን ባህልናን እንተዘይረሲዕና፡ እንተኽበርናዮ ፀገም የብሉን። ብርግፅ ፍቕሪ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ክኽበር የብሉን፤ ደቂ ተባዕትዮ ፍቕሮም ንክገልፁ ዝሕግዞም እንተኾይኑ ግን ፅቡቕ እዩ\" ትብል።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-43054772"} {"headline":"ኤርትራ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝለመደቶ ፌስቲቫል ዝሰኣነት ወርሒ ነሓሰ","content":"ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዝሓለፈ 40 ዓመታት ኣብ ዓውደ ኣዋርሕ ኤርትራ ፍሉይ ክብሪ ሒዛ ትርከብ። ወትሩ፡ ነሓሰ መጽአ እናክበሃል ፍሉይ ዝኽሪ ምትእኽኻብ አሕዋት ይለዓል። ቅድሚ ናጽነት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ተሰዲዶም ዝነብሩ ዜጋታት ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ወርሒ ነሓሰ ንቦሎኛ እናገሹ ደሃይ ሕድሕድን ሰውራን ክሰምዑ ይተኣኻኸቡ ነይሮም። ምስቶም ካብ ሜዳ ዝመጽኡ ዝነበሩ ልኡኻት ተራኺቦም ዝዘራረቡሉ ንሓድሕዶም ናፍቖቶም ዘውጽኡላ ፍልይቲ ወርሒ ኮይና: ንኤርትራውያን። ብፍላይ እቲ ሰውራ ኤርትራ እናደንፍዐ፡ ናብ ዓወት ገጹ እናተቓረበ ዝኸደሉ ዝነበረ መወዳእታ 90ታት፡ ብዙሕ ኤርትራዊ ብተስፋ ናጽነት ሞይቁ፡ ተስፋ ሰኒቑ ክምለስ ስለዝደሊ ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ናብ ቦሎኛ ይውሕዝ ነበረ። ናጽነት ምስ ተረኽበ ከኣ እቲ ሃገር ስለዘይሓዘ ኣብ ስደቱ ኣብ ቦሎኛ ዝራኸብ ዝነበረ ኤርትራዊ ንዓዱ ክውሕዝ ጀሚሩ - ፌስቲቫል ወርሒ ነሓሰ ኣብ ኤርትራ ክበዓል ጀሚሩ። ለብዘበን ግን ብሰንኪ እዚ ንዓለምና ኣጨኒቑዋ ዘሎ ኮቪድ ኣብ ሃገር ይኹን ኣብ ስደት ብማንዛ (ቪርችዋል) ብሕልናዊ ዝኽሪ እንተዘይኮይኑ ከምቲ ክኾኖ ዝነበሮን ዝተለምደን ክኽበር ኣይተኻእለን። እቲ ኣብ ኤክስፖ ዝበዓል ሃገራዊ ፈስቲቫል፡ ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ኤርትራ ዝመጽኣ ዝተፈላለያ ብሄራት ዝሳተፋኦ፡ ብቅዱስ ውድድር ዝደምቕ ምትእኽኻብ ብምንባሩ፡ እቲ ሕብረተሰብ ነንሓድሕዱ ዝተሓዋወሰሉ፡ ዝላለየሉ፡ ብመጠኑ ባህሉን ልምዱን ዘንጸባርቐሉ፡ ባህላዊ ንግደት ኮይኑ ጸኒሑ ነይሩ። እቶም ኣብ ስደት ኤውሮጳን ኣሜሪካን ኤሽያን ኣውስትራልያን ዝነብሩ ዜጋታት፡ ደቆም ትምህርቲ ምስ ዓጸዉ፡ ንደቆም ምስ ባህሎምን፡ ልምዶምን፡ ቋንቋኦምን ከላልዩን ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን ንከሕድሩ ካብ ሓምለ ክሳብ ነሓሰ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ንዓዶም ክነግዱ ብዙሕ ገንዘብ ስለዘፍስሱ፡ ቁጠባ ናይታ ዓዲ እውን ይበራበር ነይሩ እዩ። ኣስመራ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ካብ ስደት ብዝመጽኡ በጻሕትን ብነበርቲ ውሽጢ ዓዲ ዜጋታት ምውቕውቅ እያ እትብል። ኣብ \"ኮምብሽታቶ\" ኣስመራ ኣብ ስደት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ኣብ ጀርመን ኣብ ጥልያን፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ሽወደን ሆላንድን ካልእ ክፋል ኤውሮጳን፡ ኣሜሪካን ዝተፈላለየ ቋንቋታት እዮም ዝዛረቡ። ሓባራዊ መረዳድኢ ቋንቋ እንግሊዝ ተጠቒሞም ከኣ ንሓድሕዶም ይላለዩን ይፋለጡን። ካብኡ ሓሊፎም'ውን ናብ ዕርክነትን ምሕዝነትን፡ ናብ ሓዳርን ናብ መርዓን ዝበጽሑ ኣለው። ብሓጺሩ ኤርትራ ማእከል ስሕበት ናይ ኩሎም እቶም ኣብ እዋን መግዛእቲ ዝተሰዱ ዜጋታታ ኮይና፡ ኣብዚ ወርሒ ነሓሰ እዚ ደሚቃን ተኾሊዓን ትውዕል። እታ ከተማ ትዕምር፡ ምንቅስቃስ ንግዲ ይብርክት፡ መዘናግዒ ለይታዊ ትልሂታት ይመውቕ። መንእሰያት ከኣ ኣብቲ ፈስቲቫል እናኸዱ፡ ወላ'ውን እቶም ብስራሕ ክራኸቡ ዘይከኣሉ ኣብ ፈቐዶ ከተማታት ተሰዲዶም ዝነበሩ አዕሩኽ፡ መሓዙት፡ መተዓብይቲ፡ ኩሎም መራኸቢኦም ፈስቲቫል ቦሎኛ ይኸውን። ቅድሚ ምብጋሶም እውን ተሌፎን ተደዋዊሎም ነሓሰ ኣብ ዓዲ የራኽበና ተበሃሂሎም ብቖጸራ ኣብ ዓዲ ተራኺቦም፡ ደሃይ ሓድሕድ ይለዋወጡ። ክሊማ ዓዶም እናስተማቐሩ፡ እቶም ዝኽእሉ ንታሕቲ ንባጽዕ ወሪዶም፡ ኣብ ባሕሪ ሓንቢሶም፡ ገሊኦም ንዳህላክ ሰጊሮም ብመልክዕ-ምድሪ ዓዶም ይፍስሁ። በዚ ዝመጽአ፡ ነሓሰ ንኤርትራውያን ፍልይቲ ወርሒ እያ። ኣብ ስደት፡ ደቅን ውላድን ዘለዎም ስድራ ቤታት ኣብ ፈቐድኡ ካብ ዝተሰዱ ሓደ ክልተ በጻሕቲ ደቆምን መቕርቦምን የአንግዱ'ሞ ብአኦም ማሚቖም ደሃይ ሓድሕድ ይለዋወጡ። ኣብዚ ዳሕራይ እዋን ግን እቲ ዝተሰደ ኣብ ክንዲ ዝምለስ በንጻሩ ብማኢትን ኣሽሓትን ዝቑጸሩ መንእሰያት እግሮም ብዝመርሖም ብመገዲ ሞት ሰሃራን ባሕርን ብከቢድ ፈተነ ክስደዱ ምስ ጀመሩ ኩነታት ተቐያይሩ። ኩሎም እቶም በዚ መገዲ እዚ ብዘይ ሕጋዊ ፍቓድ ዝተሰዱ መንእሰያት ናብ ሃገር ክምለሱ ስክፍታ ኣለዎም። ዝምለሱ እንተልዮም እውን ኣዝዮም ውሑዳት ናይ ጣዕሳ ፎርም ዝመልኡን እዮም ይብል ኣብ ጉዳይ ስደትን ስደተኛታትን ብዙሕ ምርምር ዘካየደ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ። ዳዊት እውን ተመሳሳሊ ርእይቶ እዩ ዘለዎ። \" መብዛሕትኡ እቲ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ዶብ ሰጊሩ ዝተሰደ መንእሰይ ንዓዲ ክምለስ ውሕስነት ኣይስምዖን እዩ። ብኸምኡ ከኣ ኣብ ሃገረ ስደቱ ይነብር\" ይብል። ስደትን ፍልሰትን መንእሰያት ነቲ ኣብ ቀዳማይ 10 ዓመታት ናጽነት ዝነበረ ሙቐት ፌስቲቫል ብመጠኑ እውን እንተኾነ ክትንክፎ ባህሪያዊ እዩ። ለብዘበን ከኣ ለበዳ ኮቪድ ተወሲኽዎ፡ መገሻን ምንቅስቓስን ጠጠው ስለዝበለ ወርሒ ነሓሰ ዘይከምቀደማ ቆሪራ ሓሊፋ። ግን ኣብ ኤርትራ ጥራሕ ኣይኮነን ከምኡ። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተወዲቡ ዝነበረ ዓበይቲ መደባት ምዝንጋዕ እውን በዚ ምትእኽኻብ ዘይፈቱ ለበዳ ኮቪድ ተተንኪፎም እዮም። መንእሰይ ኣሚር ንፈስቲቫል ኤርትራ ክዝክር እንከሎ፡ ዝጉብዘሉ ዝነበረ ዕድመ ንእስነቱ እዩ ይዝክር። \"ሽዑ ጥዑም ግዜ ነይሩ። ግን ከኣ ኩሉ ጥዑም ከይበልካዮ ይሓልፍ። ኣብቲ ንጉብዘሉ ዝነበርና እዋን ንፈስቲቫል ንናፍቓ ነይርና። ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ምስ ዝመጽኡ ቤተሰብ፡ ኣሕዋትን ኣዝማድ ስለእንራኸብ፡ መሐሸሺ መቑሽሽን መንቀሳቐስን እውን ስለእንረክብ፡ ተሓጒስና ኢና እነሕልፋ። ምውቕ ናይ ንእስነት ግዜ ዘሕለፍናሉ ፈለማ ቀዳሞት ዓመታት ነጻነት ከኣ ኣይርስዐንን'የ\" ይብል እዋን ጉብዝንኡ ብምዝካር። ስልምቲ ብርሃነ ብወገና፡ ንፈስቲቫል፡ ቅድሚ ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ወሪዳ ምስ ዝተፈላለዩ ኣባላት ብሄራት ሃገራ ብኣካል እትላለ፡ ቅድሚኡ ንብሄራት ኤርትራ ኣብ ቴለቪዥን ብስክሪን ኣብ ፌስቲቫል ኤክስፖ ከኣ ብኣካል ተላልያቶም። ኤርትራ ትሽዓተ ብሄራት ዘለዋ ሃገር ምዃና ኣብ መባእታ እኳ እንተተማህረቶ ንዝበዝሑ ግን ኣብ ሳዋ እያ ፈሊጣቶም። ኣብ ኤክስፖ ቀሪባ ክትርእዮምን ምስቲ ንመነባብሮኦም ባህሎም ኣሰራርሓ ኣባይቶም ብዝገልጽ ኣብነታት ክትላለዮምን ስለዝኸኣለት ንኤክስፖ ትናፍቓ። \"ምድረ ሰማይ ብኹሉ ምሉ ምስተረጋግአ ከኣ ሓደ መዓልቲ ኣብ ስደት ምስ ዝተወልዱ ደቀይ ተመሊሰ ምስ ስድራይን ህዝቦምን ብሄራት ዓዶምን ከላልዮም እብህግ\" ክትብል ምንዮታ ትገልጽ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/53943971"} {"headline":"18 ዓመት ምስ ተመን ተሳንዮም ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ስድራ","content":"ቦትኡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ‘ቦረና’ ኣብ ዝበሃል ዞባ ናይ ኦሮሚያ እዩ። ኣብ’ዚ ዞባ ኣብ እትርከብ፡ “ድሬ” እትበሃል ቦታ ዝነብሩ ሰባት፡ ብዛዕባ ሓደ ዓሌት ተመን ክዛረቡ እንከለዉ፡ ከም መብዛሕትኡ ሰብ ብፍርሒ ኣይኮነን። ብዛዕባ እንስሳ ዘቤት እምበር፡ ብዛዕባ እቲ ‘ሓደገኛን ዘፍርሕን’ እንስሳ ዝዛረቡ ዘለዉ ኣይመስሉን። ደቂ ዓዲ ነቲ ተመን ‘ቡቲ’ እናበሉ እዮ ምዝጽውዕዎ። “እዚ ቡቲ ዝበሃል መርዛም ተመን፡ ን 18 ዓመታት ኣብ መረባና ይነብር ኣሎ” ኢሉና ነባሪ ቦረና፡ ኣይተ ዱባ ዲዳ። እዚ ተመን ሓደገኛ ከምዝኾነ እዩ ዝዛረብ። በዚ ተመን ዝተነኸሰ ሰብ፡ ናይ ምድሓን ዕድሉ ዝመንመነ እዩ ድማ ይብል ኣይተ ዱባ። ‘ኣሸምባይ ነኺሱኳስ፡ ትንፋሱ እንተረኺቡካ’ኳ ኣካልካ ይሓብጥ፡ ትሓምም’ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ኣብ ዞባ ቦረና፡ ‘ሜልባና’ ኣብ እትበሃል ቁሸት ዝነብር እዚ ውልቀሰብ “እቲ ተመን፡ ብሰላም ኣብ መረባና ይነብር ኣሎ” እዩ ዝብል። \"ቅድሚ 18 ዓመት ኣቢልና ኢና ናብ’ዚ መጺእና። ኣብ’ዚ ካብ ዝሰፈርናሉ ግዜ ኣትሒዙ፡ ኣብ መረባና ይነብር ኣሎ። ናብ መረባና ይኣቱ ይወጽእ። ኣብ’ዚ ይውዕል ይሓድር። ምሳና ኣትዩ ይወጽእ” ኢሉ። ኣይተ ዱባ ከምዝብሎ፡ ከም’ዚ ዝበለ መርዛም ተመን ናብ እንዳ ሰብ እንተኣትዩ ኣይቕተልን፡ ነውሪ እዩ። ምኽንያቱ ድማ ተመን “ሕነ ፈዳዪ እዩ” ይብል ኣይተ ዱባ። “ኣይንቐትልን፤ እንተቐቲልና፡ ንሰብ ከጥቅዕ እዩ፡ ሕነ ክፈዲ እዩ፡ ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ መረባና ዘሎ ‘ቡቲ’ እንተቐቲልናዮ፡ ካልእ ‘ቡቲ’ መጺኡ ንሰብና ከጥቅዕ እዩ” ይብል ኣይተ ዱባ። “ቅድሚ ሕዚ፡ ንሕና ከይረኣና፡ ኣናእሽቱ ደቅና ሓደ ‘ቡቲ’ ቀቲሎም ነይሮም፤ ድሕሪኡ፡ ንሓደ ተፊንና ቀቲሉልና” ብምባል፡ ን ‘ቡቲ’ ምቕታል መዘዝ ከምዘለዎ ይዛረብ። እቲ ተመን፡ ን 18 ዓመት ኣብ መረበኦም ክነብር ከሎ፡ ተሳንዮም ከምዝነበሩን፡ ዝኾነ ፍርሕን ስግኣትን ከምዘይብሎምን እዩ ዝገልጽ። “ዘስግእ የብልናን፡ ፈጣሪ እዩ ዝሕልወና” ይብል። እቲ ኣብ መረበኦም ዘሎ ተመን፡ ረጒድን ንውሓቱ’ውን ክልተ እመት ከምዝኸውንን ኣይተ ዱባ ይዛረብ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54223810"} {"headline":"ስምና ንስብእናናን መንነትናን ብኸመይ ይጸልዎ?","content":"ኣብ ጉዕዞ፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ፣ ኣብ ቦታ ስራሕ . . . ኮታ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ዕዮ ኣብ ዝዕየየሎም ቦታታት ክንከይድ እንከለና ብቃል ይኹን ብጽሑፍ ቀዲሙ እንሕተቶ 'ሽም' ዝብል እዩ። ምስ ኣብ ዝተፈላለየ ዕድመ ዝርከቡ ሰባት ኣብ ዝህልወና ናይ መጀመርታ ሌላ፡ ዕድመና ወይ ዝመጻእናሉ ቦታ፣ ዝተመሃርናሉ ቤት ትምህርቲ ወይ ስራሕና፣ ንዝተፈላለዩ ነገራት ብዛዕባ ዘለና ኣረዳድኣን ኣጠማምታን . . . ወዘተ ቅድሚ ምሕታቶም \"እከለ ይብሃል . . . ንላለ\" እዮም ዝብሉኻ። ወለድና ወይ ኣዝማድና እኳ ጌና ኣብ ከብዲ ኣዴና እናሃለና ሽም ውላዶም ንክሓርዩ ክንደይ ድዮም ዝጭነቑ? ብሱሩ'ውን እቲ ሕብረተሰብ ባህሊ ግዲ ኮይኑዎ፡ ቆልዓ ውልድ ምስ በለ \"መን ከ በልኩምዋ' ኢልኩምዎ?\" ኢሎም'ዮም ዝሓቱ። ግን፡ ውነ ኣብ ዝገበርኩምሉ እዋን ሽመይ ብዛዕባይ እንታይ ይብል? ካብ ሽመይ ብዝነቐለ ሰባት ብዛዕባይ እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ክህልዎም ገይሩ ኢልኩም ሓሲብኩም'ዶ ትፈልጡ? እንተዘይኮይኑ፡ ሕጂ ሽምኩም ምስ ባህርያትኩም ካብኡ ብዝብገስ ሰባት ኣብ ልዕሌኹም ብዛዕባ ዝወስዱዎ ግምትን ክነነግረኩም። ወለድና ሽም ጥራሕ ዘይኮነ ዘውጽኡልና፡ ምስላ'ውን ድርብ የብልሉ'ዮም። ምስዚ ብዝተሓሓዝ \"ስም ይመርሕ፤ ጥዋፍ የብርህ\" ይብሉ። እዚ ምስላ ጸኒሕና ክንምለሶ። ግርም! ስድራቤትና ብዝተፈላለየ መገዲ ኣልዮም ሃኒጾም ኣዕብዮምና ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም። ካብ ሓልዮት ብዝነቅል ወይ'ውን ብባህሪኦም ኣዝዮም ክትትል ዘብዝሑ ሰባት ብምዃኖም ሰጥ ኣቢሎም ቀጺዖም ዘዕብዩ ወለዲ ውሑዳት ኣይኮኑን። ኣብ ዘመን ህይወትና፡ ሓንቲ ዝንተኣለማዊ ውህብቶኦም ኮይና ኣብ ዝሃለና ሃሊና ምሳና ለጊባ ብዛዕባ እትተርፍ ነገር ግን ክንደየናይ ሓሲብና ንፈልጥ ንኸውን። ወለዲ ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ዘውጽኡልና ሽም ኩል ግዜ ምሳና'ያ፤ ንሽምና ግን ክንደየናይ ንፈትዎ? ብዛዕብኡ ዘለና ኣመለኻኽታ እንታይ ይመስል? እወ፡ ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ ዘውጽኡሎም ሽም ኣዝዮም ይጭነቑ'ዮም። ብሱሩ'ውን መመዘኒ ፈጠራ ተገይሩ ዝውሰደሉ ኣጋጣሚታት ከምኡ'ውን ናይ ባዕሎም መንነትን ስብእናን ዝገልጽ ዝኾነሉ እዋናት ውሑድ ኣይኮነን። ንኣብነት፡ ነጻነት፣ ብርሃን፣ ሰላም፣ ሃገር፣ ግተት፣ ተኽለሃይማኖት . . . ዝብሉ ኣሽማት ዝተለመዱ እንተመሰሉ'ውን፡ ከምዚኦም ዝበሉ ኣሽማት ንደቆም ዘውጽኡ ወለዲ ግን ካብ ባዶ ተላዒሎም ኣይኮኑን። ዝሓለፉዎ መከራ፣ ዝኸፈሉዎ መስዋእቲ፣ ተስፋ ዝገብርሉ መጻኢ ብዝተሓሓዝ ናይ ባዕሎም መንነትን ባህግን ዘንጸባርቑሎም ኣሽማት ንደቆም ከውጽኡ ይስትውዓል። ይኹን'ምበር፡ መብዛሕትኦም ዘየስተብህልሉ ወይ'ውን መሊኦም ክግንዘብሉ ዘይኽእሉ ሓደ ነገር፡ እቲ ሕርያ ሽም ካልኦት ሰባት ኣብ ልዕሊ እቶም ቆልዑ ክህልዎም ዝኽእል ኣረኣእያ ኣብ ምቕራጽ ዝህልዎ ጽልዋ እዩ። እዚ መወዳእትኡ መንነት ውላዶም'ውን ዝውስን ስለ ዝኾነ፡ ተገዳስነት ይሓትት። \"መብዛሕትኡ ግዜ ሽም፡ ሓደ ውልቀሰብ ዝልለየሉን መዓልታዊ ምስ ካልኦት ሰባት ዝረዳድአሉን ኮይኑ፡ ብፍላይ ምስ ካልኦት ኣብ ዝህልወካ ርክብ ግን ብዛዕባ ባዕልኻ ንዝህልወካ ርድኢት መሰረት ኮይኑ ዘገልግል'ዩ\" ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣሪዞና ክኢላ ስነ ልቦና ዝኾነ ዴቪድ ዝሁ። እቲ ክኢላ ኣብ ዙርያ ስነ ልቦና ኣሽማት መጽናዕቲ ኣካይዱ'ዩ። ንስነ ልቦናና ዝቐርጹ ብዙሓት ምኽንያታት ኣለው። ሓረግ\/ ሰረት ወለዶ (ጂን) ቀዲሙ ዝርቋሕ ኮይኑ፡ መዓልታዊ ኣብ ህይወትና ዝምዕብሉ፣ ኣብ ጉዕዞ ህይወት እነኻዕብቶ ተሞክሮ ኣብ ስነ ልቦናዊ ህንጸትና ዓብዪ እጃም ኣለዎም። ብተወሳኺ ሓቢሮምና ዝውዕሉ ሰባት፣ ኣብ ቦታ ስራሕ ወይ ስድራ ሓላፍነት እንወስደሉ ጉዳያት ጽልዋ ይፈጥሩልና'ዮም። እዚኦም ኩሎም ኣብ ዘለው ኣጋጣሚታት ግደ ሽምና ክንዝንግዕ ንቡር እዩ። ሓደ ካብቶም ኣብ 1961 መስረትቲ ስነ ልቦና ስብእና ዝኾኑ ጎርደን ኦልፖርት \"ሽምና፡ ኣገዳሲ መልህቅ ህይወትናን መንነትናን እዩ\" ይብል። በዚ መሰረት፡ ሽምና ካበየናይ ብሄር ከም ዝመጻእና ወይ'ውን ድሕረ ባይታና ካበይን ኣበይን ምዃኑ ከም ዘርኢ ይንገር። እዚ ማለት ግን ኩል ግዜ ሽምና ንድሕረ ባይታና ይውክል'ዩ ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት ናይ ዓረብ ሽም ዘለዎ ሰብ ኩሉ ዓረባዊ'ዩ ማለት ኣይኮነን። ናይ ኤውሮጳ ሽም ዘለዎ ሰብ'ውን ከምኡ። ይኹን'ምበር መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ዝወሃበካ ሽም ምስ ዝኾነ ክፋል ሕብረሰተብ ዝተኣሳሰረሉ ኣጋጣሚታት ብዙሕ ስለ ዝኾነ ብምኽንያት ሽሞም ግዳያት ዝኾኑ ኣይስኣኑን። ሽም ዝፈጥሮ ጽልዋ ኣብዚ ሓደ ኢሉ ይጅምር እምበር በዚ ዘብቅዕ ኣይኮነን። ኣብ ሓደ ሓደ ባህልታት ወይ'ውን ክፋላት ሕብረተሰብ፡ ኣሽማት እወንታዊ ወይ ኣሉታዊ ኣመት ኣለዎም። ብተወሳኺ ወቓሕ ዝብሉ፣ ፋሽን ዝሓለፎም ወይ'ውን ወቓሕ ዘይብሉ ኣሽማት'ውን ክገጥሙና ይኽእሉ። [እዚ ምስ ኩነታት ግዜ ዝቀያየር'ዩ] ከም ውጽኢቱ ከኣ፡ እቲ ምስ ሽምና ዝተኣሳሰር ነገር ካልኦት ሰባት ብዛዕባና ኣብ ዝህልዎም ርድኢት፣ ኣቀራርባ ወይ ዝስምዖም ስምዒት ይጸልዎ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ክሳብ ልቢ ገይርና ትርጉም ሽምና ተረዲእና እንልውጦ፡ ወለድና ብቑልዕነትና ዘውጽኡልና ሽም ከም ውርሻ ዓቂብናዮ ኢና ንቕጽል። እንተኾነ፡ ካብ 2000 ጀሚሩ ብኣመሪካዊት ክኢላ ስነ ልቦና ጂን ትዌንጌ ዝተመርሐ መጽናዕቲ፡ ንስለ ድሕረ ባይታ ስድራ ቤቶም ኢሎም ዝተዋህቦም ሽም ዓቂቦም ዝኸዱ ሰባት፡ ኣብ ህይወቶም ዕጉባት ከም ዘይኮኑን፤ ብፍላይ ድማ ሽሞም ዘይፈትውዎ እንተኾይኖም ድኹም ስነ ልቦናዊ ዝንባለ ከም ዘለዎም ይገልጽ። እዚ ሽሞም ካብ ምጽላእ ወይ'ውን ሽሞም ብዘሕደረሎም ምውሓድ ዓርሰ እምነት፡ ትሑት ርእሰ ምትእምማን ዘለዎም ሰባት ክኾኑ ከም ዝደፍኦም ይጠቅስ። ኣብዚ ግዜ \"ሽምካ መግለጺ ስብእናኻ ወይ መንነትኻ ኮይኑ ኣሎ ማለት'ዩ\" ክትብል ትዌንጌ ጽሒፋ። 'ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ' እንዶ ይብሃል የለን፤ ሽምካ ግብርኻ ወይ ስብእናኻ ኣመዓራርዩ ዝነግረካ ምዃኑ ምስ እትፈልጥ ከኣ እማን ሓቂ እባ'ዩ ትብል። ንቐጽል! ሰባት ካብ ሽምና ተበጊሶም ብዛዕባና ዝህልዎም ርድኢት ከመይ ይጸልዎ ዝብል ንምፍላጥ ብ2011 መጽናዕቲ ተኻይዱ። ኣብዚ፡ እቶም ሽሞም ዝጸንሐ [ፋሽን ዘይኮነ] እዩ ኢሎም ዝሓስቡ ሰባት ምስቶም ዘመናዊ ሽም ኣለና ዝብሉ ክነጻጸር እንከሎ ብኻልኦት ተቐባልነት ናይ ዘይምርካብ ዕድል ክገጥሞም ተራእዩ'ዩ ይብል። እዞም ሰባት ብሓቂ ብምኽንያት ሽሞም ተጓንዮም እንተኾይኖም፡ ሽምና ብቐሊሉ ሰባት ንዓና ንምቕባልን ንምንጻግን ጽልዋ ከም ዘሕድረሎም ምርዳእ ይከኣል ማለት'ዩ። ብኻልእ ወገን፡ እቲ ባዕልና ንሽምና ተሞርኲዝና ንርእስና እንህቦ ግምት መንነትና ዝገልጽ ክኸውን ይጅምር ማለት እዩ። ክኢላታት ስነ ልቦና፡ ብምኽንያት ሽምካ ብተደጋጋሚ ተነጽሎ ዝበጽሐካ እንተኾይኑ ወይ ትድፋእ እንተኾይንካ ተዋዛይን ኣማንን ሰብ ክትኸውን ትጽገም ኢኻ ይብሉ። እቶም ሽምኩም ግዜ ዝሓለፎ'ዩ ወይ ዘመናዊ ኣይኮነን ተባሂሎም ዝተደፍኡ ሰባት ብትምህርቲ'ውን ብዙሕ ዘይደፍኡ፣ ትሑት ዓርሰ እምነት ዘለዎም ኮይኖም ከም ዝርኣዩ እቲ መጽናዕቲ ይሕብር። ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተኻየደ ካልእ መጽናዕቲ ከኣ ብዙሕ ዘይፍለጥ ወይ'ውን ኣሉታዊ ትርጉም ኣለዎም ተባሂሉ ዝሕሰብ ሽም እንተሃልዩካ ሳዕቤኑ ጎዳኢ ምዃኑ የብርህ። ክኢላ ኢንስቲትዩት ስነ ልቦና ቤጂንግ ሁጂያን ሲን መሳርሕቱን ኣብታ ሃገሮም ኣማኢት ኣሽማት ብገበን ተኸሲሶም ዝነበሩ ሰባት መሰረት ገይሮም መጽናዕቲ ኣካይዶም። ድሕረ ባይታ ዝመጽእሉ ቦታ ባህርያት እዞም ሰባት ኣብ ምቕራጽ ዝፈጥሮ ጽልዋ ከም ዘሎ ኮይኑ፡ ሽሞም ትሑት ተፈታውነት ዘለዎ ወይ'ውን ኣሉታዊ ትርጉም ኣለዎ ኢሎም ዝሓስቡ ሰባት ግን ኣብ ገበን ተሳተፍቲ ኮይኖም ከም ዝረኸቡዎም ሓቢሮም። እዚ፡ ብምኽንያት ሽሞም ማሕበራዊ ተቐባልነት የብልናን ወይ ተነጽሎ ይገጥመና'ዩ ዝብሉ ሰባት ምስ ሰባት ናይ ዘይሰማማዕ [ጎነጻዊ ባህሪ] ከማዕብሉ ስለ ዝጅምሩ'ዩ ይብል እቲ መጽናዕቲ። ኣሽማትና ብዛዕባ ርእስና ዝስምዓናን ሰባት ከመይ ይሕዙና ዝብልን ዝገልጽ ስለ ዝኾነ ብቐጥታ ይጸልወና'ዩ ዝብል ሲ፡ \"ሕማቕ ወይ ጽቡቕ ሽም፡ ሕማቕ ወይ ጽቡቕ ውጽኢት ናይ ምርኣይ ተኽእሎ ክሳዕ ዝሃለዎ፡ ስድራቤታት ንባህሎም መሰረት ዝገበረ ሽም ንደቆም ከውጽኡ ኣለዎም ኢለ ይምዕድ\" ኢሉ። ብኻልእ ወገን፡ ብዙሕ ዘይተለመደ ወይ ውጽእ ዝበለ ሽም ዘለዎም ሰባት ዳይሬክተር ፊልም ወይ ዳኛ ናይ ምዃን ተኽእሎ ከም ዘለዎም ክኢላ ስነ ልቦና ቤጂንግ ሲን መሓዙቱን ዘካየዱዎ መጽናዕቲ የመልክት። \"እዚኦም ካብቲ ዘለዎም ፉሉይ ሽም ዝብገስ ዝተፈለየ ባህሪያት ወይ ስብእና ከጥርዩ ይኽእሉ'ዮም\" ይብሉ። እዚ ከኣ \"ጠባይ ስያመ\" [nominative determinism] ዝብሃል ኮይኑ ትርጉም ሽምና ኣብ ውሳኔታት ህይወትና ጽልዋ ከሕድር እንከሎ እዩ። መዓዝ እዚ ጥራይ፡ ዝተፈለየ ወይ ዘይተለመደ ሽም ምህላው ዚያዳ ተበላሓትን ክፉት ኣእምሮ ክህልወካን ከም ዝገብር ጉጅለ ዝሁ ዩኒቨርሲቲ ኣሪዞና ዘካየዶ መጽናሕቲ ይጠቅስ። እዚ ጉጅለ ዘካየዶ መጽናዕቲ ኣሽማት ብዙሓት ፈጸምቲ ስራሕ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዓበይቲ ትካላት መሰረት ገይሩ ከጽንዕ እንከሎ፡ እቶም ሰባት ዘይተለመዱ ኣሽማት ዘለዎም ኮይኖም ረኺቡዎም፤ ከዐውትዎ ኣብ ዝደልዩዎ ስትራቴጂ'ውን ትኩራት'ዮም ኢሉዎም። \"ዘይተለመደ ሽም ዘለዎም ኣባላት ቦርድ\/ ፈጻሚት ስራሕ ካብ መሳርሕቶም ዝተፈለኹ እየ ዝብል ስምዒት ከማዕብሉ ስለ ዝስትውዓሉ፡ ዘይተገደበ ስትራቴጂታት ከመንጭዩ ምትብባዕ ክፈጥረሎም ይርኣይ\" ይብል ዝሁ። ስለ ዝኾነ ስድራቤታት ንደቆም ዘውጽኡሎም ሽም ልሙድ ክኸውን ይምዕዱ። \"ውላድኻ፡ ዝተመደ ሽም እንተሂብካዮ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ብቐሊሉ ሰባት ክቕበሉዎን ክፈትዉዎን ዕድል ኣለዎ። ግን ድማ ወለዲ ውላዶም ዝተፈለየ ምዃኑ ዝንእድሎም ዓርሶም መገዲታት ክህልዎም ኣለዎ፤ ፍሉይ ሳጓ ብምሃብ ወይ'ውን ፍሉያት ባህሪያት ውላዶም ብምንኣድ ከተባብዑዎም ይግባእ\" ክብል ዝሁ ይምዕድ። ሕጂ'ውን 'ስም ይመርህ፤ ጥዋፍ የብርህ'።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57264940"} {"headline":"ሃይማኖት-እስልምና፡ ስለምንታይ ኣብ እዋን ጾመ ረመዳን ተምሪ ይዝውተር?","content":"ወርሒ ሮመዳን፡ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ብሃንቀውታ ዝጽበይዎ ወርሒ እዩ። ጾመ ሮመዳን ወርሒ ወጺኣ ክሳብ እትጠፍእ ይቕጽል። ኣመንቲ ፍልይ ብዝበለ ሃይማኖታዊ ስርዓት ብጾምን ዱዓን ንፈጣሪኦም እናተማሕጸኑ ዘሕልፉዎ ቅዱስ ወርሒ እዩ። ናይ ሎም ዘበን መበል 1442 ጾመ ሮመዳን ሎሚ ሰሉስ ክጅመር እዩ። እሞ ኣብዚ ወርሒ፡ ኣብ ማሕበረሰብ ሙስሊም ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብኡ ወጻኢ'ውን ዝዝውተሩ መግብታት ኣለው። ሾርባ፣ ሳምቡሳ፣ ብሽኮትን ተምርን መግለጺ ጾመ ሮመዳን'ዮም ምባል ይከኣል። ብገለ ምኽንያት ኣብ እዋን ኢፍጣር ናብ ገዝኡ ክርከብ ዘይከኣለ ሰብ፡ ኣብ መንገዲ ተምሪ ዓዲጉ ከፍጥር፡ ንቡር እዩ። ተምሪ ሃይማኖታውን ጥዕና'ውን ጥቕሚ ከም ዘለዎ ዝገልጹ ኡስታዝ ሓሰን ታጁ፡ \"ኣብ እስልምና ብተምሪ ምፍጣር ሱና እዩ\" ይብሉ። ከም ኣበሃህላኦም 'ሱና' ማለት ነብዪ መሓመድ ዝገበርዎ፡ ዝተዛረብዎ ወይ'ውን ካልኦት ክገብርዎ ርእዮም ዘጽደቕዎ እዩ። ኡስታዝ ከም ዝሓበሩና፡ ነብዪ መሓመድ ከፍጥሩ ከለው፡ ተምሪ ይበልዑ ስለ ዝነበሩን ኣብ ሰዓብቲ እቲ እምነት፡ ንሶም ዝበልዎ፡ ዝገበርዎን ዘጽደቕዎን ምስዓብ ከም ጽቡቕ ስለዝውሰድ፡ ኣብ ጾም ሮመዳን ተምሪ ተመራጺ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ሓዲስ (ኣብ ዘረባታት ነብዪ መሓመድ) ተምሪ ብዙሕ ግዜ ተጠቒሱ ኣሎ። ነብዪ መሓመድ፡ ካብ ኣትኽልቲ ኩሉ ትሕዝትኡ (ሱሩ፡ ጉንዱ፡ ቆጽሉ፡ ፍሪኡ) ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ተምሪ እዩ ኢሎም ኣለው። ጽቡቕ ነገራትን ባህርያትን ብተምሪ እናመሰሉ ዝዛረቡ ኩነታት ከም ዘሎ ድማ ጠቒሶም። እንተኾነ ኣብ እዋን ሮመዳን እንምገቦም ካልኦት መግብታት ከከምቲ ከባብን ባህልን ዝፈላለዩ እዮም። ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ሳምቡሳ፡ ሾርባ ከምኡውን ካልኦት መግብታት ይዝውተሩ። ኣብ ካልእ ሃገራት ዝተፈላለየ ስርዓትን ኣመጋግባን እኳ እንተሎ፡ ማይን ተምርን ግና ንኩሎም ዘመሳስሉ ምዃኖም ኡስታዝ ሓቢሮም። ኣብ ማሕበረሰብ፡ ስነ ምግቢ ኢትዮጵያ በዓል ሞያ ምግቢ ዝኾኑ ኣቶ ኣብነት ተክሌ፡ ተምሪ ንሙቀት ኣብ ዝጻወሩ ፍረታት ዝምደብ መግቢ ኮይኑ ነቲ ዝቦቕለሉ ኩነታት ብምርኣይ'ውን ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ክህልዎ ከም ዝኽእል ይገልጹ። ዝበዝሓ ሃገራት ዓረብ ምውቕ ኩነታት ኣየር ዘለወን ኮይነን ኣፍረይቲ ተምሪ ድማ እየን። በዚ ድማ ዘዘውትርዎ መግቢ ክኸውን ይኽእል እዩ ክብሉ ግምቶም ይህቡ። ብስነ ምግቢ ግና ተምሪ ከምቶም ካልኦት ፍረታት ናይ ቪታሚን ትሕዝትኡ ጠቓሚ ምዃኑ ይገልጹ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48197454"} {"headline":"ኣብ ዓለም ንሕግን ስርዓትን ዝግዝኡ ዜጋታት ዘለውዋ ሃገር መን'ያ?","content":"ኣብ ውሽጢ ካብ በርሊን ናብ ከተማ ዳሱልዶፍ ዝግስግስ ባቡር ኣለኹ። ኣብ ጎነይ ኮፍ ምስ ዝበለ መንእሰይ ድማ ጽቡቕ ወግዒ ሒዝና ኣለና። \"ዝብለካ . . . ዘስተብሃልካዮ ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ጀርመንን ዘሎ ናይ ባህሊ ኣፈላላይ እንታይ ኣሎ?\" ይብለኒ። ኣብ ሞንጎ፡ ናብ ኮፍ መበሊኣ እትምለስ ዝነበረት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብማእኸልና ትሓልፍ። \"ኡሽሽሽሽ . . . .\" ብማለት ድማ ከም ህጻን ትኹርየልና። ድምጽኹም ነክዩ ማለታ'ዩ። ብዙሕ ኣይተገደስናላን . . . ስቕ ኢልና ወግዕና ንቕጽል። መሊሳ፡ ኣብ ውሽጢ ቴሌፎን ምውጋዕ ከም ዘይፍቀድ ናብ ዘመላኽት ኣብ መሬት ናብ ዝተጠቅዐ መልእኽቲ ብኢዳ ተመልክተና። ቐጺላ ናብ ጥቓና ጽግዕ ኢላ ድማ፡ \"ድምጽኹም ክትንክዩ ኣለኩም\" ኢላትና፤ ብትሕትና። ኣብዚ ግዜ፡ ነቲ ኣብ ጎነይ ዘሎ ሰብ ዝሓተተኒ ሕቶ ምላሽ ከም ዝረኸብኩ ነጊረዮ። \"ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ጀርመንን ዘሎ ናይ ባህሊ ኣፈላላይ እዛ ሰበይቲ እያ\" ድማ ኢለዮ። ኣብ ጀርመን ኣርባዕተ ዓመት ሙሉእ ክቕመጥ እንከለኹ፡ \"በጃኹም ስቕ በሉ\" ዝበለትና ሰበይቲ እትውክሎ ሕብረተሰብ በብቦትኡ ርእየዮ እየ። ህዝቢ ጀርመን ንባህልን ልምድን፣ ንሕግን ስርዓትን ዝግዛእ ሕብረተሰብ እዩ። እቲ ህዝቢ ኣብ ዝኾነ ነገር ሕጊ ዘኽብር'ዩ ክብሃል ይከኣል። ስርዓት፡ ኣብ መላእ መሬት ጀርመን ኢኻ ትረኽቦ። በቃ ህይወት ንዓቀብ ንታሕቲ እንተኣበለትካ'ውን ካብ ሕግን ስርዓትን ክትወጽእ ኣይትክእልን። ምክንያቱ እንታይ'ዩ ትብሉ ትህልው። ኣብ ጀርመን ሓደ ፍሉጥ ኣበሃህላ ኣሎ። . . . \"Ordnung Muss Sein\" (ስርዓት ክህሉ ይግባእ!) ዝብል እዩ። ህይወት ጀርመናውያን በዚ ኣበሃህላ እዩ ዝምራሕ ክብሃል ይከኣል። ካብ ህጻን ክሳብ ሽማግለ ነዚኣ እዩ ዝግዛእ። ስርዓት ክህሉ ይግባእ! ስርዓት! ስርዓት! ስርዓት ክህሉ ይግባእ! እዮም ዝብሉኻ። እቲ ስርዓት ብምንታይ ይግለጽ? ኣብ ጀርመን ዝረስሑን ንጹሃትን ጠራሙዝ ብሓንሳብ ኣይድርበዩን። ድሕሪ ምሸት ሰዓት 10፡00 [ሰዓት 4፡00 ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ድማ ዝርብሽ ድምጺ ከተስምዕ ኣይፍቀድን። ኣብ ጀርመን ቀይሕ መብራህቲ እንተበሪሁ፤ ንምንታይ ኣብ ገጠር ዘይኸውን . . . ዋላ'ውን እቲ ሕብረተሰብ ህልም ዝበለ ሓረስታይ ይኹን . . . መንገዲ ዘቋርጽ ኣጋር'ውን ኣይሃሉ . . . ትራፊክ ጠጠው ከብለኩም ዝለመድኹም'ውን ክትኾኑ ስለ እትክእሉ ዋላ'ውን ትራፊክ ኣይሃሉ ዝብል ክውስኸልኩም፡ ሕጊ ትራፊክ ኣይጥሓስን። ኣብዛ ሃገር ሓደ ነገር ከተፈጽሙ እንተደሊኹም ሓደ ቅኑዕ መገዲ ጥራሕ ኢኹም እትጥቀሙ። ቅጥዒ ትመልኡ፣ ትኽክለኛ ስምኩምን ኣድራሻኹምን ተቐምጡ፣ ድሕሪኡ ቆጸራ ትሕዙ። ቅጥዒ ክመልእ ዝተጋገየ ሰብከ? ከም ሰብ ምግጋይ ንቡር ስለ ዝኾነ ቴሌፎን ተደዊልሉ ይጽዋዕ። ብኣግባቡ ክመልእ ግዴትኡ እዩ፤ ስለዚ ድማ ደጊሙ ብጥንቃቐ ይመልእ። ምኽንያቱ ኣብ ጀርመን ስርዓት ክኽበር ኣለዎ። ውርሲ ማርቲን ሉተር? ላዕሊ ላዕሉ እንትርኣይ፡ ጀርመን ኩሉ ነገር ቦታ ቦትኡ ዝሓዘላ ናይ ሕግን ስርዓትን ሃገር ትመስል። እንተኾነ ከምቲ ዝብሃል፡ ኩሉ ነገር ደንብን ስርዓትን ኣሲሩ ዝሓዛ፣ ንለውጢ ኢዳ ዘይትህብ ድያ? እንተኢልና፤ መልሱ ኣይኮነን ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብዚ ወገን ናብ ዘመን ማርቲን ሉተር ክንምለስ ዘለና ይመስለኒ። ሉተር፡ ጀርመናውያን ኮኑ ዓለም ከመይ ንእየሱስ ክርስቶስ ከምልኹዎ ኣለዎም ኣብ ዝብል ባይታ ዝሓዘ ለውጢ ከም ዘምጽአ ንዝሓለፉ 500 ዓመታት \"ሪፎርሚስታት' ጀርመን ኣብ ባህሊ ጀርመን ዓብዪ ኣሰር ኣንቢሮም። መምርሒ እዚ ፍሉጥ ባህሊ ጀርመናውያን ንሱ ከም ዝጽሓፎ'ውን እዩ ዘንገር። Ordunug Muss Sein Unter Den Leuten [ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ስርዓት ክህሉ ይግባእ!] ማለት እዩ። ጀርመናውያን ንመስተ [ቢራ]፣ ንመጽሓፍ [ምጽሓፍን ምንባብን]፣ ንሕብስቲ [ምስንካትን ምብላዕን] ዘለዎም ፍቕሪ ብቃላት ዝግለጽ ኣይኮነን። ኣብ ዓለም ዝፍለጣ ዝርዝር ኣውቶሞቢላት ኣይ - ናይ ጀመርመናውያን እንድየን ግዲ፤ መርሴዲስ ቤንዝ፣ ቮልስዋገን፣ ቢኤምደብሊው፣ ኣውዲ፣ ፖርሸ የትም ቢኬድ። ጀርመናውያን ክንደየናይ ጥንቁቓት ምዃኖም ልዕሊ እዘን ምህርታት ምስክር የለን። ካብዚ ሓሊፉ ምህዞ ጀርመናውያን መስመር ክትሕዝ ዝገበረ ሓደ ናይ ጥበብ ቤት ትምህርቲ ኣሎ። ባውሃውስ ይብሃል። ባውሃውስ ባውሃውስ ቤት ትምህርቲ ኪነ ህንጻን ስነ ጥበብን እዩ። ኣብ ቫይማር ብ1919 ፍሉጥ ክኢላ ስነ ህንጻ ዋልተር ግሮፒየስ መስሪቱዎ። ድሕሪኡ ብሉጻት ዝተባህሉ ጥበበኛታት ኣብዚ ቤት ትምህርቲ ክዓብዩ ጀሚሮም። ብቐዳማይ ኲናት ዓለም ዝዓነወት ዓለም ዳግም ንምህናጽ ኣብዚ ቤት ትምህርቲ ዝተኣኻኸበ ክኢላ ተላዒሉ። ባውሃውስ ኣብ ቅርጺ ኪነ ህንጻ ጀርመናውያን ዝፈጠሮ ጽልዋ ቀሊል ዝብሃል ኣይኮነን። ካብዚ ቤት ትምህርቲ ዝወጽኡ ሓድሽ ሓሳብ ኪነ ህንጻ እዮም ዘበግሱ። ንኣብነት፡ ሓደ ግዜ ቦታ ዝሕዝ ዘይኮነ ቦታ ዝፈጥር ህንጻ ንህነጽ ኢሎም ተላዒሎም። ቀጺሎም ድማ ሓደ ሰብ ኣብ ውሽጢ ገዝኡ ኮይኑ ዳርጋ ኣብ ደገ ዘሎ ስምዒት ዝፈጥሩ ኪነ ህንጻታት'ውን ኣብቲ ዘመን ዝተለመዱ ክኾኑ ገይሮም። ሕጂ፡ ኣውሮጳ ሙሉእ ዘዕለቕለቑ ስራሕቲ ኪነ ህንጻ ናይ እዚኦም እዮም። ኣብቲ እዋን ግን 'ፋሽን' ዲኹም ትብሉዎ? ከምኡ ነይሮም። ከምዚ ዓይነት ሰውራ ኪነ ህንጻ ክመጽእ ዝገበረ ከኣ ኣቦ ኪነ ህንጻ ዋልተር ግሮፒየስ እዩ። ኣርክቴክት ግሮፒየስ ኣብ ጀርመን ዝፈጠሮ ቤት ትምህርቲ ባውሃውስ ተመሃሮ ኣብ ምህዞ ዝተደረኸ ስልጠና ክረኽቡ እዩ ዝገብር። ድሕሪኡ ብስነ ጥበብ፣ ኢደ ጥበብ፣ ስነ ህንጻን ካልኦት ምህዞታትን ብምጥቃም ብዛዕባ ሕብሪ፣ ቅርጺ፣ ጽባቐ ምሕሳብ ምጥባብ፣ ምፍልሳፍ ባህሊ እናኾነ መጺኡ። ባውሃስ ብ1933 ብሂትለር ክሳብ ዝዕጾ ሽሙ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዝጽውዓሉ ኣሰር ኪነ ህንጻን ካልኦት ናይ ስነ ጥበብ ስራሕትን ገዲፉ እዩ። ጀርመናውያን፡ ንገዛን ደገን ዘለዎም ኣተሓሳስባን ድልየትን ዝቐረጸ እዚ ቤት ትምህርቲ እዩ ይብሃል። 'ስነ ስርዓት ይከበር!' መን ጀሚሩዎ? ሉተር ኣብ ጉዳያት ነገረ መለኮት ኣብ ዝጽሓፎም ጽሑፋት ህዝቢ ንመራሕቲ ይእዘዝ ይብል። 'ስነ ስርዓት ይከበር!' ብዝብል ዝጽሓፎ ግን ብቐጥታ ነቲ ሕብረተሰብ ዝምልከት ዘይኮነ፡ ወዲ ሰብ ብውልቁ ስርዓት ከኽብር ዝግብኦ ፍጡር እዩ ኢሉ ይኣምን ስለ ዝነበረ እዩ። ድሕሪ ሉተር ስነ ስርዓት ዝብል ሓረግ ብሰፊሑ ክፍለጥ ዝገበረ ሰብ ናይ መወዳእታ ፕሬዝደንት ሪፐብሊእከ ቫይማር ፓል ቮን ሂንደንበርግ ከይኮነ ኣይተርፍን። ብ1934 መጽሄት ታይም ሂንደንበርግ ኣብ ቅድሚት ገጹ ሒዙ እትወጽእ፡ ኣብ ትሕቲ ናቱ ስእሊ \"ስነ ስርዓት ይከበር!\" ዝብል ኣበሃህላ ነይሩ። እዚ ድማ ነቲ ፕሬዝደንትን ነቲ ኣበሃህላን ህቡባት ክኾኑ ገይሩዎም። ክሪስቲና ሮጀርስ ተመራማሪት ባህሊ እያ። እዚ ስርዓት ናይ ምኽባር ባህሊ ካብታ ፕሩሲያ ተባሂላ እትጽዋዕ ነባር ጀርመን ዝመጽአ እዩ ትብል። ግቡእኻ ምፍጻም፣ ቖጸራ ምኽባር፣ ሓቀኛን ጠንካራን ሰራሕተኛ ምዃን ድማ ኣብ ባህሊ ጀርመን ካብ ውሉድ ወለዶ እናተመሓላለፈ ዝመጽአ ባህሊ እዩ። ክርስቲና ነዚ ካብ ውሉድ ወለዶ እናተሰጋገረ ዝመጽአ ስነ ስርዓት ዝምልከት ምስ ጀርመናውያን ሽርክና ንግዲ ክጅምሩ ንዝደልዩ ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ዓበይቲ ኩባኒያታትን ተማኽር። ምኽንያቱ ጀርመናውያን ስንፍና ዘይክዕገሱ፣ ዕሽሽ ምባልን ትኹረት ምውሓድን ቐልጢፉ ከቖጥዖም ዝኽእሉ ህዝቢ እዮም። ብዝኾነ እዚ ስርዓት ይከበር ዝብል ልምዲ ካብ ዝመጽአ ይምጻእ ኣብ ልቢ ጀርመናውያን ዝሓደረ ዓብዪ ባህሊ ከም ዝኾነ ዘጠራጥር የብሉን። እቲ ቃሕ ዝብል ነገር ናይ ሎሚ ጀርመናውያን ብዛዕባ ስነ ስርዓት ከውግዑ ኣይትሰምዖምን። እኳ ድኣ ልክዕ ከም ተፈጥሮኣዊ ስምዒት ብውሽጦም ተረዳዲኦም ወዲኦም'ዮም። ብኡ ይናበሩ እምበር ኣይዛረቡን። ተመራማሪት ታሪክ ክርስቲን እዚ ባህሊ ምኽባር ስርዓት ጀርመናውያን ንቖልዑት ጀርመን \"ብናይ ማይ ቱቦ ዝመጽኣሎም ጸባ ላሕሚ እዩ\" ክትብል ትገልጾም። እዚ ባህሊ ንምዕባይ ህጻናት ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ከለው ዝመሃርሉ ክፍሊ ካብ ምጽራይ ይጅምሩ። ዝጻወቱሎም ኣቑሑ ብኣግባቡ ብምቕማጥ ይጅምር። በዚ ኣቢሉ ምኽባር ስርዓት መምርሒ ህይወቶም ኮይኑ ይቕጽል። ክርስቲን ነዚ ብዝስዕብ ሓሳብ ትጠምሮ። \"ሓደ ሰብ ክዛረብ እንከሎ ሰዋስው ቋንቋ ሓሲቡ ኣይኮነን ዝዛረብ፤ ኩሎም ጀርመናውያን ድማ ስርዓት የኽብሩ እምበር ብዛዕብኡ ኣይዛረቡን\"። ቅድሚ ምጥቕላለይ ሓንቲ መቑሽሽ ወስ ከብለልኩም። ሓደ ጀርመናዊ ስምዒትኩም ቁርብ ርብሽብሽ ዝበለ እንተመሲሉዎ፡ \"Alles in Ordnung?\" ይብለኩም። እንታይ ማለት'ዩ? ብቐሊሉ \"ሰላም ድዩ?\" ከምዚ ናይ ሎሚ መንእሰይ ዝብሎ ድማ \"ኣማን ድዩ?\" ማለት እዩ። ግን ድማ ብኣበሃህላ ቋንቋ ጀርመን ክንፈትሖ ከለና፡ \"ስነ ስርዓት ተኸቢሩ'ዶ?\" ዝብል ትርጉም'ዩ ዘለዎ። እዚኣ ኣብ ልባስ ኣኽበርቲ ሕጊ'ውን ተጻሒፋ እያ። ኦርድኖንግስአምት (Ordnungsamt) ዝበሃሉ መኮንናት ቤት ጽሕፈት ኣኽበርቲ ስርዓት ሕብረሰተብ ጀርመን እዮም። እዚኦም ስራሕቲ ምኽባር ስርዓት እዮም ዝሰርሑ። መሬት ምስ ሰማይ ዝሓዋውስ፣ ዕንጽራር ዝገብር ሙዚቃ ዝኸፈተ ገዛ እንተረኺቦም፡ ብዋዛ ኣይለቁዎን። መካይን ጠጠው ኣብ ዝብላሉ ቦታ ብስርዓት ደው ዘየበለ መኺና እንተገጢሙዎም'ውን፡ ድሓን ይኹን ኢሎም ኣይሓልፉዎን፤ ወይለከ ስርዓት እዩ'ያ። ሓደ ነገር ክውስኽ ኢለ'ዶ ዘረባ ኣንዊሐልካቱም? ብዝኾነ፡ ኣብ ጀርመን ከልቢ ከይተረፈ ንክንደይ ግዜ እዩ ክነብሕ ዝኽእል ዝብል ሕጊ ተቐሚጥሉ'ዩ። ኣይኣምንን'ዶ ኢልኩም? ጸጥታ ክዓስል ኣብ ዘለወሉ ሰዓት ኣብ ሓደ ግዜ ልዕሊ 10 ግዜ ክነብሕ ኣይፍቀዶን። ሰኺሩ ኣብ መገዲ ጸልፋዕፋዕ እናበለ እግረ መገዱ ዝረኽቦም ናይ ጎሓፍ ኣቑሑት እናላኽዐ ዝኸይድ ሰብ'ውን ኣይስኣንን። ስኻሩ ምስ ነፈሰሉ ግን፡ \"ስነ ስርዓት ይከበር!\" ክብል ይኽእል።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53646780"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ኣሸንዳ እንትመጽእ ሽማ ዝለዓል ግውሕ መቐለ መን’ያ?","content":"ኣሸንዳ ናይ ዓሚ ናይ ዓሚየ . . . ተጋኒና ሎሚየ'፥ 'ኣዋልደይ ሎሚ ዕበዳ . . . ላዕላይ ሰማይ'ዶ ኣለዎ ሜዳ' እናተባህለ ደቂ ኣንስትዮ ኣሸንዳ ዝጻወታሉ፣ ተጸባቢቐን ናብ ኣደባባይ ዝወጽኣሉን ዝተሓዋወሳሉን መዓልቲ እዩ። ሎሚ ግን ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምግታእ ዓበይቲ ምትእኽኻባት ዘለዎም ሃይማኖታዊ ይኹን ባህላዊ በዓላት ክስረዙ ስለ ዝተገብረ 'ኣሸንዳ ኣብ ገዛና' ብዝብል ካብ ገዛኻ ብዘይምውጻእ'ዩ ክኽበር። በዚ ምኽንያት፡ ንሓደ ካብቶም ኣብ ትግራይ በብዓመቱ ብዝለዓለ ድምቀት ካብ ዝበዓሉ ሓደ ዝኾነ ምስ መዓልቲ ናጽነትን ጽባቐን ደቂ ኣንስትዮ ተኣሳሲሩ ክለዓል ዝዝውተር በዓል ኣሸንዳ እንትለዓል ልክዕ ከምቲ ኣብ መዓንጥአን ዝግልድምኦ ቖጽሊ ኣሸንዳ ሽማ ሓቢሩ ብዛዕባ ዝለዓል 'ግውሕ መቐለ' ተባሂላ እትፍለጥ ጓል ኣንስተይቲ ከነልዕላ መሪጽና። ብዙሓት ንዕኣ ዝፈልጡን ዘኽብሩን ሰባት፡ ንግስቲ ከበሮ፣ መኽዝን ባህልን ጸወታን እንብሉዋ ብዓብይኡ ኣድባር መቐለ ኢሎም ይጽውዑዋ። ግውሕ መቐለ እንትለዓል ዝነበረትሉ ከባቢ ጅብሩኽ'ውን ምስኣ ብድድ ዝብል፤ ኣይክነጻጸሉን። ኣብዚ ገዛውቲ ማንካ፣ ድስቲ፣ መግቢ፣ ቖልዓ ይኹን ገዛ ዋና የብሎምን፤ ናተይን ናትካን ኣይብሃልን ነይሩ። ብቐንዱ ከኣ ስዋን ዋንጫን። ትሕት ዝበለ ቑጠባዊ እቶት ዘለዎ ሕብረተሰብ ዝሰፈረሉ ከባቢ ስለ ዝኾነ መብዛሕትኡ ስዋ ሸይጡ ናብራ ዝመርሕን ቖልዑት ዘዕብን ሕብረተሰብ ይነብረሉ ነይሩ። በዓል ጊዜ ዝነበረ ስዋ፡ ጾሟቚቱ ወሓለን ምቕልልትን ምስ እትኸውን ደላይኡ ብዙሕ፣ ኣብቲ ዙርያ ዝፍጠር ጸወታ ዕሙር ነይሩ። ሚኒሊክ ዝብሃል መስተዪ ስዋ ናይ ታኒካ ዋንጫ'ውን ነይሩ። ነገር ስዋ እንትለዓል ካብ ዝመጽአ መጺኡ እግሩ ኣሳፊሑ ሕርካምን ሽሊንግን ዘለዎ ከፊሉን ኣንጊዱን፣ ዘይብሉ ከኣ ተኣንጊዱን ተለቂሑን ዝሰትየሉ፣ ዝስሕቐሉን ዝጻወተሉን ጅብሩኽ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከባቢ ክለዓል ግድን ይኸውን። ዳርጋ መዓልታዊ፡ ነፍሲ ወከፍ ገዛ መሬት ኾስቲራ፣ ማይ ረብሪባ፣ ዓማዊላ ኾፍ ዝብልሉ ካሻ ኣንጺፋ፣ መስተዪ ስዋ ዋንጭኣ ሓጻጺባ ኣዳልያ ትጽበ፤ ድላይኻ ሰቲኻ ባእሲ ግን ብዙሕ ንቡር ኣይኮነን። ግውሕ መቐለ ድኣ መን ነይራ? ሰበነ ገረንቸኣል ደብሪ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ካብ ከተማ መቐለ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ወሊዶም ዘዕበዩዋ ናይ ስጋ ወለዳ ዝሃቡዋ መጸውዒ ሽም'ዩ። ደቂ ጅብሩኽ ድማ ግውሕ ኢሎምዋ። ብዙሕ ሰብ ድማ ብሰበነ ዘይኮነ ብሳጉኣ ስለ ዝፈልጣ ንሕና'ውን ንሱ ክንጥቀም መሪጽና። ግውሕ፡ ናይ ልባ ዝበሃላ ሰብ ወይዘሮ ዕንሹ ረዳኢ ይብሃላ። ክልቲኣተን ዕቡነይ . . . ዕቡነይ ብምባል ይጸዋውዓ፤ ሳንዳይ ንማለት'ዩ። ሕማቕን ጽቡቕን ግዜ ብዝሓባር ዝርኣያ፣ እዚ ናትኪ፤ እቲ ናተይ ከይበላ ብስኒት ዝሓለፋ፣ ብሞት እንትፈላለያ'ውን ቃል ተኣታትየን ብሓደራ ዝተኣሳሰራ'የን። ብሓደ ጸወታ ግውሕን ተዘክሮ ወይዘሮ ዕንሹን እንዶ ክንዝክረን። ብደርጊ ግዜ ኩሉ በብቀበሊኡ ጥርናፈ ዝነበረሉ ግዜ እዩ። ሰውራ ተጋደልቲ ህወሓት ድማ ኣብ መላእ ከባቢታት ትግራይ እንተጠጥዐ'ውን ግውሕ ኣብ መቐለ ዝርኣየቶም ተጋደልቲ ደቀቕቲ ስለ ዝነበሩ ንደርጊ ክስዕሩዎ'ዮም ዝብል ግምት ኣይነበራን። ግውሕ ድማ ነተን ብልቢ እትፈትወንን እትኣምነንን ዕቡንኣ፡ \"ኣጋጣሚ ትሓሕት ተወሰዱኒ ኣብዚኣ እኒአዋ ወርቀይን ጨርቀይን ንቤተክርስቲያን ሃባለይ\" ኢላተን። ኣጋጣሚ ኮይኑ በቶም ደቒቖም ዝተርኣዩዋ ተደፊኡ ካብ መቐለ ክወጽእ ግድን ምስ ኮነ፡ ገሊኡ ምስኡ ዝሃድም ነይሩ። ንሳ ግን ዕቡነይ . . . ዕቡነይ ኢላ ተዳህያ፤ ድሓር \"ተገልቢጠ እየዋ ተገልበጣ\" ኢላተን። ኣሰላልፋ ቐይረ እየ ንምባል ይኸውን። ኣብዛ ወግዓ ዘለዋ 'ዕቡነይ' እምበኣር እተን 'ዕቡነይ ናፊቐየን' ዝብልኣ ወይዘሮ ዕንሹ'የን። ዕቡነይ ንዝብልኣ ግውሕ መቐለ 'ኣትን' እናበላ ይጽውዕኣ። ግውሕ ብዕድመ ስለ እትዓብየን ዘይኮነ ኣብ ትግራይ ኣዚኻ ንእትፈትዎን ንእተኽብሮን ሰብ'ውን ኣርቢሕካ ምጽዋዕ ልሙድ'ዩ። \"ንሰን ኣብ ዘለዋሉ ሰሓቕን ታሕጓስን እምበር ሓዘን ኣይፍለጥን። ዕቡነይ ዓባይ፣ ክብርቲ ሰብ እየን። ኣብ እንዳ ሕዙናት ብኽያት ኣይፍለጥን [ንሰን እንተሃልየን]፣ ኣብ መርዓ ይኹን ኣብ ሓዘን ተሓጒስካ እዩ። ዝሓመመ ወይ ዝተኣሰረ ሰብ እንትህሉ መንደር ሙሉእ ጸዊዐን ሒዘንኦ'የን ዝኸዳ፤ ዕቡነይ ናፊቀየን\" ይብላ። ግውሕ መቐለ፡ ማሕበራዊ ናብራ ብምድማቕ፣ ሰባት ብምቅርራብ፣ ሰሓቕን ጸወታን ብምፍጣር እያ ትፍለጥ። ነዚ ከይኾነ ኣይተርፍን 'ግውሕ' ዝብል ሳጓ ዝለገባ። \"ኩላትና ስዋ ኢና ንገብር ነይርና። ጅብሩኽ ኩሉ ስዋ እዩ። ምስ ዕቡነይ ድማ ስዋና ብሓደ ንሰርሖ ብሓደ ንውድኦ። ንሰን ተጫዋቲትን መስሐቒትን ስለ ዝኾና መን ኣለዋ መን የብላን ኣይፍለጥን። ካብ ኣስመራ ይምጽኡ ካብ ካልእ ኣባና መጺኦም እዮም ዝሰትዩ ነይሮም። ንሕና'ውን ምስ ኣስኡን ተዛኒፍና ኢና ንሰቲ ኣይግድሰናን\" ይብላ። እቲ ግዜ ኣይ ከምሎምን ጽቡቕ ነይሩ፤ ብሕርካም ኣርባዕተ ዋንጫ ስዋ ይሽየጥ። ሕጂ ኣብ ምንታይ ወዓላ ከም ዘላ ብዘይትፍለጥ ናይ ሓሙሽተ ወይ ዓሰርተ ሳንቲም'ውን ነይሩ። \"ደቂ መቐለ ደኾንናይ፡ ክልቲኤና ድማ ብክራይ ገዛ ኢና ተጋኒና። ድሕሪኡ ግን ብጣዕሚ ኢኻ ትቀራረብ፤ ፍቕሪ ኢኻ። ዋጋ ናይቲ ክራይ ገዛ 5 ብር ነይሩ\" ኢለን እንተውግዓ፡ ዕቡነይ ደፋር ነይረን ይብልኣ። ንምዃኑ ሕጂ ብምንታይ ይዝክርኣ ይኾና? እንትንብለን ንሰን'ውን ወግዒ ዝኸብደን ኣይኮናን'ሞ ንሓደ ካብ ትዝታታተን ኣካፊለናና። ኣብ ግዜ ደርጊ ህድሞ ዝነበረ ገዛውቲ መንግስቲ ወሪሱዎ፤ እታ እትነብረላ ዝነበረት ገዛ ፈሪሳ ብዚንጎ ክትስራሕ ተገይሩ። \"ህድሞ ፈረሰ ቆርቆሮ ታደሰ\" ኢላ ድማ ደሪፋትሎም ይብላ። ልዕሊ ኹሉ ግን ነቲ ኣብ ምጥንኻር ማሕበራዊ ናብራን ምድማቕ ኣል ኣሸንዳን ዝነበራ ተራ ዝተፈለየ ምንባሩ ይዛረባ። \"ሓራስ፣ ዝሞተ፣ ሓመመ ወይ ዝተኣሰረ ሰብ እንተልዩ ኣዋጂት ንሰን ነይረን፤ ልክዕ ከምቱ ንመለስ መራሒና ንብሎ ንዐአን'ውን ከም መራሒትና ኢና ንርእየን ነይርና። ብአአን ተዓጂብና ኢና ንኸድ፤ ብስሩ ጅብሩኽ ምዃንና እንፍለጥ ብሳልአን'ዩ\" ይብላ። ወሲኸን፡ \"ክልቲኤና ብጣዕሚ ኢና ንፋቶ፤ ሓሚመን ኣብ ሆስፒታል ደቂሰን እናሃለዋ ይፈርሕ ኣለኹ እየ ምሳይ ውዓላ ምሳይ ሕደራ ይብላኒ። ዝሞታ ዘይኮነ ዓይነን ዝዓውራ መሲሉወን ድማ ከይትጠልማኒ ዕቡንዋይ ይብላኒ ነይረን፤ ኣነ'ውን ኣይጠልመክንን ኢለ ቃል ኣትየለን\" ብማለት ይዝክርኣ። በዚ ምኽንያት ክሳብ እዛ ዕለት ከይዱ ንዝሓተተን ብዛዕብኣ የዕልልኦ፤ ሽማ ንዘልዓለለን ድማ ይምርቕኦ፣ የመስግንኦ። ዮውሃንስ ተስፋይ ገብረኪዳን ይብሃል፤ ዕባይ ጅብሩኽ'ዩ። ጉውሕ ምስ ሞተት ድማ ምስ ካልኦት ሰለስተ መሓዙቱ ብምዃን ጎኒ መሰለች ህንጻ 'ግውሕ መቐለ' ዝብል ናይ ንግዲ ትካል ከፊቱ ዝነበረ'ዩ። ካብቲ ቀረብ ንላዕሊ ሽማ ነቲ ገዛ ህቡብነት ስለ ዘልበሶ ኣብ ሓደ እዋን መዘራረቢ ኮይኑ ነይሩ። እዛ ብቀልድን ቅውም ነገርን እትፍለጥ ሰብ እምበኣር፡ ንስጡም ማሕበራዊ ናብራ ጥራሕ ዘይኮነ ንትምህርቲ እውን ቅርብቲ ነይራ። \"ለጋስ፣ ዘለዋ ነጊፋ ተኻፊላ እትነብር ሰብ እያ። ኣብ ጅብሩኽ ተወሊድና ዘዕበየትና ኣዴና'ያ። ኩሉ ክብሃል ወይ ክፍተን ኣለዎ እትብሎ ንምግባር ንድሕሪት ኣይትብልን። ቖልዑ እናሃለና ዓባይ ሰበይቲ ኾይና ናብ ቤት ትምህርቲ በጺሓ ክትምለስ ኢና ንፈልጣ። ድሓር ናብ ገዝኣ እናተመለሰት ኣብ መንገዲ 'ግውሕ መሃይምነት' ኢሎምዋስ፤ ዘይተመሃረ ይእሰር ስለ ዝነበረ \"እወ ኣነማ ተመሃሪት፡ ንስኻ ኣለኻ ወድዛ ተኣሳሪት\" ዝበለትሉ ግዜ ኣይርስዖን\" ይብል። ካልእ ግውሕ፡ ብኣሸንዳ ዋዛ ኣይኮነትን። ኣከዳድንኡ፣ ቑንኡን ኣተሓሕዛን ኣተሃራርማን ከበሮ ብኣግባቡ እትፈልጥን እተተግብሮን ስለ ዝነበረት ዝሓዘቶን ዝበለቶን ይደምቀላ፣ ይፍተወላ ነይሩ። ንሱ፡ \"በዓል ኣሸንዳ ብዝመጽአ ቑጽሪ ግውሕ ብጣዕሚ እያ ትዝከር፤ ብዙሓት ጉጅለታት ኣሸንዳ መቐለ እንተሃለዋ እውን እቲ ደቂ ኣንስትዮ ጅብሩኽ ዘለዋሉ ጉጅለ'ዩ ዚያዳ ዝደምቕ። ዝኾነ ወዲ መቐለ ድሙቓት ቖልዑ ኣሸንዳ እንተርእዩ ደቂ ጅብሩኽ ምዃነን ይፈልጥ። ናይዚ ምኽንያት ድማ ግውሕ'ያ፤ 'ኣይከን ጅብሩኽ' ነይራ\" ክብል ይገልጻ። ድምቀት እዚ በዓል ስለ ዝኾነት ድማ ኣድነቕታን ፈተውታን 'ኣድባር' ኢሎም የሞጉሱዋ። \"ግውሕ ኣብ ኩሉ እትርከብ ድመቀት ስለ ዝኾነት ኣድባር እያ፤ ኩሉ ሓዘኑ ረሲዑ ክስሕቕ፣ መርዓ ክደምቅ እትገብር፣ ሰብ ኣተሓባቢራ ንኹሉ ስለ እትጥይቕ እዩ ኣድባር ዘብላ\" ይብል መንእሰይ ዮውሃንስ። ሕጂ ግውሕ ኣድባር ተባሂላ እትጽውዐሉ መሸጢ ህንጻ መሳርሒ ዝበዝሖ እናኮነ መጺኡ፤ እቲ ማህበረዊ ናብራ'ውን ኣይከም ቀደሙን ላሕሊሑ። ምኽትል ዳይሬክተር ቴሌቪዥን ትግራይ ጋዜጠኛን ደራስን ሰለሞን ኣባዲ ብ1985 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ካብ ሞንጎ ዝረኸቡዋ ጋዜጠኛታት እዩ። ኣብ ከባቢታት ዕዳጋ ይኹን ገዛውቲ ንበዓል ኣሸንዳ ካብ ዘድምቓ ሓንቲ ንሳ እያ ዝብል ኣቶ ሰለሞን፡ ካብ ባህላዊ ደርፍታት እቲ በዓል ብዝዛየደ ፖለቲካ ቀመስ ወግዒታት ሰው እተብል ምዃና ይዝክር። \"ኣብ ግዜ ሃይለስላሰ ኣመሓዳሪ ትግራይ ዝነበሩ ልኡል ራእሲ መንገሻ ደቂ ኣሸንዳ ናብ ቤተ መንግስቶም ክመጽኣ እንከለዋ ዝተፈላለየ ሽልማት ይህቡ ነይሮም። ደርጊ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ግን ሃይለስላሰ በላይ ዝበሃሉ ኣመሓዳሪ ተተኪኦም። ንሶም ኣብ ግዜ ኣሸንዳ ምስ መጽኡ ከረሜላ ሂቦም ክሰዱወን ከለው ግውሕ \"ዓሚ'ዶ መሲሉኪ ቅድሚ ዓሚ ከረሜላ ጠዓሚ\" ኢላ ነቒፋቶም። በዚ ትፍለጥ\" ይብላ። ክሳብ እዚ ግዜ፡ ንቖልዑ ኣሸንዳ ክርኢ ወይ ከልዕል እንከሎ ንግውሕ መቐለ ከም ዘልዕል ዝዛረብ ኣቶ ሰለሞን፡ እቲ በዓል ድማ ብደቂ ጅብሩኽ ዝኾና ቖልዑ ኣሸንዳ ይደምቕ ነይሩ ይብል። \"ደቂ ጅብሩክ ንኣሸንዳ የድምቕኦ ነይረን። ኣተሓሕዛ ከበሮ ግውሕ ድማ ዝተፈለየ'ዩ። ብሱሩ'ውን ኣለባብስኣ ማዕሪጋ ስለ እትወጽእ፡ ግውሕ ክተልዕል ከለኻ ኣሸንዳ ውን ይብለካ እሞ፡ እቱ ኣጎዛጒዛ እትትቀመሉ ዝነበረት ፖለቲካዊ ቅይዐ'ውን ይዝከረካ\" ኢሉ። ኣብ ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ብፍላይ እቶም ዝነበሩ ስርዓታት ሓሳብካ ብነጻነትን ብቐጥታን ንምግላጽ ዝዕድሙ ስለ ዘይነበሩ፤ እቲ ሕብረተሰብ በዓላት ኣጎዛጒዙ ብመልክዕ ግጥሚ፣ ማሰን መልቅስን ጸገማቱ ክገልጽ ይስትውዓል ከም ዝነበረ ከም ኤርትራዊ ደራስን ዳይሬክተርን ሰለሞን ጸሃየ ዝበሉ ተመራመርቲ ታሪክን ባህልን ይገልጹ። ምስ ኣሸንዳ ብዝተኣሳሰር'ውን ብፍላይ ኣብ ከባቢ ተምቤን ደቂ ኣንስትዮ ዘለወን ተጓንፎን ጸገማትን ባህላዊ ጸወታ ኣምሲለን ፖለቲካዊ ነቐፌታ የቕርባሉ እየን። \"ንኣብነት ምስ ኣውርስ ብዝተኣሳሰር፡ ኣሸንዳ እንትኽበር ጽቡቅ ንዝገበረ ዘወድሳሉ፡ ንዝሓመቐ ድማ ዝነቕፋሉ ኩነታት ትዕዘብ ኢኻ\" ይብል ኣቶ ሰለሞን። ኣብ በዓል ኣሸንዳ ድማ፡ ዝኾነት ትኹን ጓል ኣንስተይቲ ማዕሪጋ እትርኣየሉ ናይ ነጻነት መኣልቲ ኮይኑ፡ ቆልዑ ሸንዳ ስለ ዝነቐፋ ኣይውቅዓን እኳ ድኣ ይኽበራ። እዚ ንክብርታት ትግራይ ሓፍ ካብ ዘበሉ በዓላት ሓደ ዝኾነ ግን፡ ኣብዚ ዓመት ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምቲ ልሙድ ብከበሮን ዝላን ደሚቑ ንክበዓል'ኳ ዕድል እንተዘይረኸበ፡ ነቲ ህልዊ ኩነታት ዘጎዛጎዙ ዘለፋታትን ጸወታታትን ግን ምውጽኦም ኣይተርፍን።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53870046"} {"headline":"ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ፡ \"ህዝቢ ኤርትራ ጽቡቕ ኣቀባብላ ገይሩልና\"","content":"ብምኒስተር ደኤታ ባህልን ቱሪዝምን ወይዘሮ ብዙነሽ ዝምራሕ 60 ኣባለት ዝሓዘ ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤርትራ ባህላዊ ምርኢት ከቕርብ ቐንዩ። እቲ ኣብ ከረን፡ ባጽዕን ኣስመራን ምርኢት ዘቕረበ ጉጀለ፡ በቲ ዘቕረቦ ምርኢትን ዝተገብረሎም ኣቀባብላን ኣዝዮም ከም ዝተሓጎሱን ዑደቱ ውጺታዊ ከም ዝነበረን ሓቢሩ። ምስቲ ጉጅለ ዝተጓዕዙ፡ ሮክ ዝጻወቱ ኣባላት ጉጅለ ሙዚቃ 'ጃኖ' ኣብ ባጽዕን ኣስመራን ብርክት ዝበለ ፍርያቶም ኣቕሪቦም። ኣብታ ሃገር ብዙሕ ሰብ ከም ዘየለ ዝዛረብ ተጻዋቲ ጊታር ጃኖ ባንድ ሳሙኤል ኣሰፋ፡ \"እቲ ዝርካቡ ሰላማውን ፈታዊ ሰብን ሃገርን እዩ\" ክብል ይገልጾ። ኤርትራ ኣዝያ ውቅብቲ ሃገር'ያ ዝብል ሳሙኤል፡ ብፍላይ ገማግም ባሕራ፡ ባጽዕን ዳህላክን ንኽትርእዮም ዘብህጉ ማረኽቲ ምዃኖም ሓቢሩ። እቲ ክልተ ደቂ ኣንስትዮን ክልተ ደቂ ተባዕትዮን ውሩያት ሙዚቀኛታት ዝርከቡዎ ጃኖ ሽዱሽተ ሙዚቀኛታት ዝሓቖፈ ጃኖ ባንድ ዓብዪ ኢንተርፕራይዝ ሙዚቃ ኢትዮጵያ'ዩ። እቲ ባንድ ኣብ 2012 'ኤርታዕለ' ዝሰመዮ ፈላሚ ኣልበም ናብ ህዝቢ ኣቕሪቡ። ፍርቂ ካብቲ ናይ ደርፊ ግጥምታት ከኣ እቲ ስሙይ ኢትዮጵያዊ ገጣሚ ይልማ ገብረኣብ ዝደረሶም እዮም። እቲ ባንድ ኣብ ወጻእን ሃገርን ሮክ ዝተባህለ ስልቲ ሙዚቀኦም ንህዝቢ ከላልዩ ጸኒሖም ኣለው። ኣብ ጥልያን፣ ስዊድን፣ ኔዘርላንድስን፣ ኣሜሪካ፣ እስራኤልን ማእከላይ ምብራቕ ብምኻድ ከኣ ህቡብነት ከጥርዩ ክኢሎም። ብዘይካ እቲ ኣልበም፡ 'ይነጋል'፣ 'ኣይኔማ ወዳጅሽ'፣ 'ዳሪኝ' ዝብሉ ንጽል ዜማታት ሰሪሖም። ምስቲ ብ16 ታሕሳስ 2019 ናብ ኤርትራ ዝኣተወ ጉጅለ ባህሊ ሙዚቃ ኢትዮጵያ ዝተጓዕዘ እዚ ባንድ ኣብ ባጽዕን ኣስመራን 19 ደርፍታት ከቕርብ መደብ'ኳ እንተነበሮ ብሰንኪ ሕጽረት ግዜ 13 ደርፍታት ከምዘቕረበ ተጻዋቲ ጊታር ጃኖ ባንድ ሳሙኤል ኣሰፋ ሓቢሩ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እቲ ጉጀል 'ይነጋል' ዝተሰምየ ደርፉ ከቋርጹ ከምዝተገደደ እኳ እንተተዘርበ ሳሙኤል ግን ብሰንኪ ሕጽረት ግዜን ኣብ ጥቐኦም ንዝነበረ ሆቴል ንኸይርብሹን እቲ ግዜ ከምዝሓጸረ የረድእ። እቲ ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ምስ ኣተወ ብኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ፡ ኣብ ሆቴል ኣስመራ-ፓላስ ናይ ድራር እንግዶት ገይሩሉ። ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝግበር ባህላዊ ምልውዋጥ ኣብ ምርኢታዊ ጥበብ ከይተወሰነ፡ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ዘዕቢ ምዃኑ ሓቢሩ። ሚኒስተር ዲኤታ ባህልን ቱሪዝምን ኢትዮጵያ ወይዘሮ ብዙነሽ መሰረት'ውን እዚ ዝግበር ዘሎ ባህላዊ ዑደት፤ መቐጸልታ ናይቲ ኣቐዲሙ ብጉጅለ ባህሊ ኤርትራ ዝተጀመረ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ካብዚ ዘለዎ ንላዕሊ ክዓቢን ክቕጽልን ከም ዘለዎ ገሊጻ። ዓሚ ሚያዝያ ገዳይምን መንእሰያትን ሙዚቀኛታት ዝሓቘፈት ጉጅለ ያታ ስብሪት፡ ን ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምጽንባል፡ ኣብ ከተማታት ባህርዳር፣ ኣዳማ፣ ሃዋሳ ከምኡ'ውን ኣዲስ-ኣበባ ሙዚቃዊ ምርኢት ከም ዝርኣየት ይፍለጥ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/50900316"} {"headline":"‘ኣብ ገጸይ ብምውቃጠይ እጥዓስ’","content":"ኣብዚ እዋን ኣብ ሃገራት ምዕራብ ምውቃጥ ዳርጋ ቅቡል ባህሊ እናኾነ ክኸይድ ከሎ ከም ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ድማ እቲ ኣብ መበል 4ይ ክፍለ ዘመን ምስ ምስፍሕፋሕ ክርስትና ዝተኣታተወ ናይ ምውቃጥ ባህሊ እናሃሰሰ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ሃገራት ምዕራብ ምውቓጥ ጾታ ኣይፈልን። ክልቲኡ ጾታታት ካብ ውሽጣዊ ክፍሊ ኣካላቶም ስጋብ ናብቲ ሰብ ኣብ ዝርእዮ ክፍሊ ኣካልቶም - ገጽ፡ የእዳው፡ ቅልጽም፡ ግንባር፡ ክሳድን ሸፋሽፍቲ ዓይንን ክውቀጡ ይርኣዩ ኣለው። ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ደቀንስትዮ ጥራይ ኢየን ዝውቀጣ ነይረን። ኣብቲ ሰብ ዝርእዮ ክፍሊ ኣካላተን - ኣብ ግንባረን ናይ መስቀል ምልክት፡ ኣብ ምዕጉርተን ከም ቡሮት ዝምስል ውቃጦ፡ ኣብ ክሳውደን ድማ ወርቂ ሰንሰለት ዝመስል ውቃጦ ኢየን ዝገብራ ነይረን። እቲ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ባህላዊ ውቃጦ እናሃሰሰ ኣብዝኸደሉ ዘሎ እዋን እቲ ዘበን ኣምጽኦ ድማ ክትክኦ ይርአ። ህቡብ ኣሜሪካዊ ደራፋይ ተልሃያይን ናይ ፊልም ተዋሳኣይን ክሪስ ብራውን ኣብ ኣካላቱ ዝተወቀጦ ስእልታት ኣብ ኢንስቴግራም (ማሕበራዊ መራኸቢታት) ንህዝቢ ተገሊጹ - ስርሓት ናይክ ዝኾነ ኤር ጆርዳን ዝተባህለ ናይ ስፖርት ሳእኒ ስእሊ ኣብ ምዕጉርቱ ተወቒጡ። ኣብ ሎስ ኣንጄልስ ዝርከብ መወቀጢ ስቱድዮ እቲ ደራፋይ ኣብ ገጹ ናይ ዝተወቀጦ ሓድሽ ስእሊ ኣብ ኢንስቴግራም ጠቂዕዎ። ክሪስ ብራውን ጥራይ ኣይኮነን ኣብ ገጹ ዝተወቐጠ ህቡብ ስነ ጥበበኛ። ኣምበር ሮሰ ዝተባህለት ሞዴልን ናይ ፊልም ተውሳኢትን እቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝተወቀጠቶ ውቃጦ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ጸኒሑ። እቲ ኣብ ኢንስቴግራም ዝዘርግሐቶ ስእላ፡ ኣስማት ናይቶም ክልተ ደቃ- ባሽን ስላሽን - ኣብ ግንባራ ዝተወቀጠቶ የርኢ። ምስዚ ኣተሓሒዛ \"መልክዕ በቲ ግዳማዊ ዘይኮነ በቲ ውሽጣዊ ኩነታትካ ኢዩ ክግለጽ ዘለዎ\" ኢላ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ። ክልቲኦም ስነ ጥበበኛታት በቲ ኣብ ገጾም ዝተወቐጥዎ ሓድሽ ውቃጦ ኣዝዮም ሕቡናት ኢዮም። ካልኦት ኣብ ክርአ ዝኽእል ቦታ ዝተወቀጡ ግና ድሕሪ ምውቃጦም ዝተሓዋወሰ ስምዒታት ኣሕዲሩሎም። ሬድዮ 1 ኒውስቢት ካብቶም ኣብ ክርአ ዝኽእል ቦታ ዝተወቀጡ ሰባት፡ ኣብ ከምኡ ዓይነት ቦታ ንኽውቀጡ እንታይ ከምዘተባብዖምን፡ ድሕሪ ምውቃጦም'ከ ተጣዒሶም እንተኾይኖም ሓቲታቶም። ኬቪን ፖል ናይ ምውቃጥ ክኢላ ኢዩ። መንእሰይ ከሎ ኣብ ገጹ ዝተወቀጦ ከምዘጣዕሶ ገሊጹ። ምስ ኒውስቢት ኣብዝገበሮ ቃለ ምልልስ ርግጽ ኣብ ኣጠማምታ ሰባት ዓቢ ድርኺት ኣለዎ ኢሉ። \"ኣብ ምዕጉርተይ ምስተወቀጥኩ፡ ሰባት ብኣሉታዊ መንገዲ ይፈርዱኒ ከምዝነበሩ ተረዲአ። ብዙሓት፡ ቀው ኢሎም ይጥምቱኻ\" ኢሉ ኬቪን። ጽቡቕ መንባብሮን ስራሕን እንተድኣ ኣሎካ፡ ኣብ ሂወትካ \"ዓቢ ጽልዋ\" ክህልዎ ይኽእል። \"ከም ፖስት ማሎን ዝኣመሰሉ ህቡባት ኣሜሪካውያን ደረፍቲ ኣብ ገጾም ይውቐጡ እዮም። ንኸምዚኦም ዝእመስሉ ሰባት ዳርጋ ቅቡል ኢዩ። ምኽንያቱ ህቡባት ደርፍቲ ጥራይ ዘይኮኑ ኣዝዮም ሃብታማ ስለዝኾኑ።\" ኣብዚ ቀረባ እዋናት፡ ምውቃጥ ዳርጋ ዓቢ ዜና ኮይኑ ጸኒሑ። ብፍላይ ድሕሪ ወናኒ ትካል ኣፕሬንቲስ፡ ሎርድ ሹገር፡ ኣብቲ ምርኢት ተወዳዳርይ ንዝነበረ፡ ሊዊስ ኤሊስ፡ ኣብ ኣፍልቡን ቅልጽሙን ውቃጦ ስለዝነበሮ ካብቲ ውድድር ከምወጽእ ኣዚዝዎ። ድሕሪ'ቲ ፍጻመ፡ ሊዊስ ኤሊስ ምስ ኒውስቢት ኣብዝገበሮ ቃለ ምልልስ ኣብ ውሽታዊ ኣካላትካ ምውቃጥ ግዚኡ ዘሕለፈ ፋሽን ኢዩ። እንተ ኣብ ገጽካን ቅልጽምካን ዝግበር ግና ምክፋእን ጠቐነን ይወርደካ ኢሉ። \"እዚ ድማ ኣዝዩ ዘሕፍር ተግባር ኢዩ። ምኽንያቱ፡ እንታይ ከምትኽደንን ከምትውቀጥን ንኻልኦት ሰባት ከገድሶም ኣይነበሮን\" ኢሉ ሊዊስ።ጽቡቕ መንባብሮን ስራሕን እንተድኣ ኣሎካ፡ ኣብ ሂወትካ \"ዓቢ ጽልዋ\" ክህልዎ ይኽእል። \"ከም ኦስት ማሎን ዝኣመሰሉ ህቡባት ኣሜሪካውያን ደረፍቲ ኣብ ገጾም ክውቐጡ ኢዮም። ንኸምዚኦም ዝእመስሉ ሰባት ዳርጋ ቅቡል ኢዩ። ምኽንያቱ ህቡባት ደርፍቲ ጥራይ ዘይኮኑ ኣዝዮም ሃብታማ ስለዝኾኑ።\" ኣብዚ ቀረባ እዋናት፡ ምውቃጥ ዳርጋ ዓቢ ዜና ኮይኑ ጸኒሑ። ብፍላይ ድሕሪ ወናኒ ትካል ኣፕሬንቲስ፡ ሎርድ ሹገር፡ ኣብቲ ምርኢት ተወዳዳርይ ንዝነበረ፡ ሊዊስ ኤሊስ፡ ኣብ ኣፍልቡን ቅልጽሙን ውቃጦ ስለዝነበሮ ካብቲ ውድድር ከምወጽእ ኣዚዝዎ። ድሕሪ'ቲ ፍጻመ፡ ሊዊስ ኤሊስ ምስ ኒውስቢት ኣብዝገበሮ ቃለ ምልልስ ኣብ ውሽታዊ ኣካላትካ ምውቃጥ ግዚኡ ዘሕለፈ ፋሽን ኢዩ። እንተ ኣብ ገጽካን ቅልጽምካን ዝግበር ግና ምክፋእን ጠቐነን ይወርደካ ኢሉ። \"እዚ ድማ ኣዝዩ ዘሕፍር ተግባር ኢዩ። ምኽንያቱ፡ እንታይ ከምትኽደንን ከምትውቀጥን ንኻልኦት ሰባት ከገድሶም ኣይነበሮን\" ኢሉ ሊዊስ። \"ሰባት ብተግባራትካን ሞያ ወይ ድማ ስራሕካን ክፈርዱኻ ይግባእ።\" እብዚ እዋን ኩሎም ልዕሊ 18 ዓመት ዝኾኑ ዜጋታት ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝኾነ ክፍሊ ኣካልቶም ክውቀጡ ናይቲ ሃገር ሕጊ የፍቅድ። ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ግና፡ እቲ ሕጊ ነቶም ውቓጦ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ባቶም የሕልቖም ንዝወርዶም ኣድልዎ ኣይከላኸሎምን ኢዩ። ቤን ዝተባህለ ኣባል ምክልኻል ሰራዊት ውቃጦ ስለዝነበሮ ኣብቲ ዝሰርሓሉ ክፍሊ ካብ መሳርሕቱ ዝተሓዋወሰ ርእይቶ ይቐርበሉ ነይሩ። ንሱ ከምዝበሎ፡ ስጋብ'ቲ ውቃጦ ጽዩፍ ዝየኮነ ክውቐጥ ከምዝተፈቕደሉ ገሊጹ። ናብ ሓይሊ ኣየር ንኽቕየር ምስኣመልከተ ግና እቲ ኩነታት ዝተፈልየ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ኣብ ሓይሊ ኣየር ካብ ጉንቦ ኢድ ንታሕቲ ውቃጦ ኣይፍቀድን ነይሩ።\"ካብ ሓደ ክፍሊ ናብ ካልእ ክፍሊ ናይቲ ሰራዊት ምዝውዋር ቀሊል መስርሕ ኢዩ ነይሩ። ንዓይ ግና እቲ ውቃጡይ ጸገማት ፈጢሩለይ።\" \"መብዛሕትኡ ግዜ መንእሰያት ኣብ የእዳዎም ኢዮም ዝውቀጡ፡ ውቃጦ ድማ ኣካል ስነ ጥበብ ኢዩ። መግለጺ ናይ ስምዒታት ስለዝኾነ ድማ ንመጻኢ ሞያኻ ክጸልዎ ኣይግባእን።\" ሓይሊ ኣየር ኣብዚ ቀረባ ነቲ ኣብ ውቓጦ ዝነበሮ ፖሊሲ ቀይርዎ ኢዩ። ኣባላት እቲ ክፍሊ ሃገሮም እናኣገልገሉ ከለው ኣብቲ ክርአ ዝኽእል ክፍሊ ኣካላቶም ክውቀጡ የፍቅድ። እቲ ሕጂ ዝወጸ ሕጊ፡ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ዋላ ኣብ ሽፋሽፍቲ ዓይኖም፡ ክሳዶም የእዳዎም ክውቀጡ የፍቅድ። እቲ ኣብ ኣጻብዕትኻ ዝግበር ውቃጦ ግና በቲ ቀለቤትካ ክሽፈን ዝኽእል እንተኾይኑ ጥራይ ኢዩ ዝፍቀድ። ግሬስ ዝተባህለት ጓል 28 ዓመት መንእሰይ ድማ እቲ ኣብ ኢዳ ዝተወቀጠቶ ውቃጦ ስራሕ ንምርካብ \"ኣዝዩ ኣሸጊሩኒ\" ኢላ። \"ጓል 24 ዓመት ኮለኹ ከም ኣሻያጢት [ሴልስ] ኣፋውስ ኮይነ ክሰርሕ ዕድል ረኺበ። ዳሕራይ ውቃጦ ከምዘሎኒ ምስፈለጡ ግና ነቲ ስራሕ ብቕዕቲ ኣይኮንክን ተነጊረ።\" ካብኡ ንድሓር፡ ስራሕ ብፍላይ ናይቲ ዝፈትዎ ናይ ኣሻያጢት ስራሕ ክረክብ ኣይከኣልኩን። \"ብድሕሪኡ፡ ውቃጦ በቲ ሕብረተሰብ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ተሰሚዑኒ።\"እቲ ናይ ብሪጣንያ ናይ ወቀጥቲ ማሕበር እቲ መንግስቲ ብዛዕባ ኣብ ገጽን የእዳውን ዝግበር ውቃጡ ዝምልከት ተወሳኺ ሕጊ ከውጽእ ጠሊቡ።ሊ ክሊሜንትስ፡ ኣፈኛ ናይ ወቀጥቲ ማሕበር፡ ንኒውስቢት ከምዝሓበሮ፡ ነቶም ኣብ ኢድን ገጽን ክውቐጡ ዝደልዩ ሰባት ዝያዳ ሓበሬታ ክውሃቦም ይግባእ። ብፍላይ ስራሕ ኣብ ምድላይ ክሕግዞም ዝኽእል ዞም ዝኽእል ተወሳኺ ሓበሬታ የድልዮም።\"መብዛሕትኡ ግዜ መንእሰያት ናይቶም ዝፈትውዎም ህቡባት ደረፍቲ ወይ ድማ ተጻወቲ ኩዕሶ ውቃጦ ብምርእይ ኢዮም ዝውቀጡ።\"\"እቶም ክኢላታት ወቃጦ፡ ዓማዊሎም፡ ብፍላይ ድማ መንእሰያት ኣብ ገጾም ክውቀጡ ኣብዝመጽሉ እዋን ክምዕድዎም ሞራላዊ ግዴታ ኣለዎም ይመስለኒ\" ኢሉ ሊ ክሊሜንትስ። እቲ ናይ ውቃጢ ክኢላ፡ ኬቪን ምስዚ ናይ ሊ ክሌንትስ ርእይቶ ከምዝሰማማዕ ገሊጹ።እቲ ኣብ ገጹ ክውቀጥ ዝወሰዶ ስጉምቲ \"ብስለት ዝጎደሎ\" ኢዩ ነይሩ ኢሉ ኬቪን።\"ኣብ ዕስራታት፡ ብዛዕባ'ቲ ሽዑ ተሕልፎ ሂወት ጥራይ ኢኻ ትሓስብ።\"ኣብዚ እዋን ዝግበር ውቃጦ ንሰባት ከሕጉሱ ኢዮም ዝውቀጡ ኢሉ ኬቪን።ስለዝኾነ ድማ እቲ ደረት ዕድመ ናይቶም ክውቀጡ ዝግብኦም ካብ 18 ናብ 21 ምስዝድይብ ጽቡቕ ክኸውን ከምዝኽእል ርእይትኡ ሂቡ።\"ብዝኾነ፡ ኩለንተናኻ ኣብቲ ተካይዶ ስራሕ ዝኾነ ሳዕቤን ክህልዎ የብሉን። እቲ ተካይዶ ስራሕ ኣብ ብቕዓትካ ጥራይ ክምርኮስ ኣለዎ\" ኢሉ ውቃጦ ዘለዎ ሉዊስ ጀምስ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51520097"} {"headline":"ብኸመይ ኢና ካብ ሓዘንና ክንጸናናዕ እንኽእል - ብስምረት ኣርኣያ","content":"ኣብ ቁልዕነታ ሞት ኣዝማድን መቕርብን፣ ኣብ ንእስነታ ወለዳ (ኣቡኣን ኣዲኣን)፣ ኣብ ኩናት ዶባት ኢትዮ ኤርትራ መተዓብይታን መማህርታን፣ ኣብ ስደት ከኣ በዓል ቤታን ኣቦ ደቃን ብሞት ተፈልዮማ ተደራራቢ ሓዘን ኣጋጢሙዋ። ተቐማጢት ካናዳ ኤርትራዊት ስምረት ኣርኣያ፡ ነብሳ ንምጽንናዕን ሓዘና ንምፍዃስን ንዝጸሓፈቶ ዘንበቡ ፈተውትን ኣዕሩኽን ንብዙሕ ብጓሂ ዝተጎድአ ሰብ ንክሕግዝ ብመልክዕ መጽሓፍ ንከተቕርቦ ብዝገበሩላ ምሕጽንታ \"ቢዮንድ ዘ ግሪፍ\" - ድሕሪ ሓዘን ዘሎ ነገር ብዝብል ኣርእስቲ ብብቋንቋ ኢንግሊዝ ዘዳለወታ መጽሓፍ ድሮ ኣብ ኢድ ብዙሓት በጺሓ ኣላ። \"ብሞት ፍቱዋትካ፣ ኣቦኻ ኣዴኻ፣ ሓውኻ ሓፍትኻ፣ ሰብኣይካ ሰበይትኻ፣ ውሉድካ፡ (ጓልካ ወድኻ) ዝስዕብ ሓዘን መሪር'ዩ። ብፍላይ ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ምስ ዝቑጸዩ ሓዘን ክዶቕሰካን ክርምሰካን ይኽእል እዩ። ስለዝፈተንኩዎ ሃስዩኡ ይፈልጦ እየ፤ ስለዝኾነ ከኣ እየ ነዛ ብተመኩሮይን ኣንቢበን ንፈላጣት ኣዘራሪበን ብዘዋህለልኩዎ ፍልጠት ዝጸሓፍኩዋ መጽሓፍ ናብ ከምዚ ኸማይ ሓዘን ዝተደራረቦም አሕዋትን ኣሓትን ንመጸናንዒ ኣቕሪበያ\" ትብል። ስምረት ኣብቲ ብዘበነ ዕግርግር ዝፍለጥ፡ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ፖለቲካዊ ወጥሪ ሰፊኑሉ ዝነበረሉ እዋን ብ1975 ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዓብያ። ወላዲኣ ህርኩት ነጋዳይ ነይሮም። ወላዲታ ከኣ ንደቀንን ሓዳረንን ብፍቕሪ ዝናብያን ዝኹስኩሳን ወረጃ ኣደ ነበራ። ኣቶ ኣርኣያ ደቂ ዝፈትውዋ ሓፍቶም ኣብ ውድባት ተሓኤን ህዝባዊ ግንባርን ተሰሊፎም፡ ደቂ ሓንቲ ማህጸን ኣሕዋት ይዋግኡ ብምንባሮም ኣዝዮም ይሓዝኑ ነይሮም። ስለ ዝኾነ እዮም እምበኣር ነታ ሽዑ ዝተወልደት ጓሎም፡ ጽቡቕ ፋል ዕርቂ ክትኮነሎም ብምምናይ \" ስምረት!\" ክብሉ ሰምዮምዋ። ስምረት ገና ቖልዓ እንከላ፡ ካብ ጀራዲኑ ሸዊት ሒዙ ዝመጽኦም ዝነበረ ሓው ኣቦኣ ብስርዓት ደርግ ተረሺኑ ስድርኣ ምስ ተነግሩን ኣምሪሮም ክሓዝኑ እንከለዉን ከቢድ ጓሂ ከም ዝተሰመዓ ትገልጽ። \"ሕብረተሰብና ሓዘን ንዘጋጠሞም ዓበይቲ እዩ ዘጸናንዕ እምበር፡ ካብ ዘይምፍላጥ ንቖልዑ ብዙሕ ግዲ ኣይገብረሎምን እዩ። እቶም ቖልዑ ከኣ ግቡእ ምጽንናዕ ስለ ዘይግበረሎም ኣዝዮም እዮም ዝጉድኡ\" ትብል። እቲ ኣብ ቁልዕነታ ብሞት ሓወቦኣ ዝተሰመዓን ምስኣ ንነዊሕ ዝጸንሐ ጓሂ ምዃኑ ትዛረብ። ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየት ስምረት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ቀዳማይ ዲግሪ ምስ ወደአት፡ ንማስተርስ ( ካልኣይ ዲግሪ) ትምህርቲ ንኖርወይ መጺኣ። ኣብ ሊድስ ዓባይ ብሪጣንያ ንሓደ ዓመት ሰሪሓ ከኣ ናብ ካናዳ መጺአ ሓዳር መስሪታ ቖልዑ ወሊዳ ክትነብር ጀሚራ። እንተኾነ ብሰንኪ ድጉል ጸገማት ወልፊ በዓል ቤታ እቲ ዝበሃገቶ ሓዳር ከምቲ ዝደለየቶ ኣይኮነላን። በዓል ቤታ ጻዕራም ሰራሕተኛ፡ ደቁን በዓልቲ ቤቱን ዘፍቅር፡ ስድርኡን መቕርቡን ዘኽብር፡ ሕያዋይ ተሓጋጋዚ ሰብ እኳ እንተነበረ፡ ጸጸኒሑ ብዝደግስ ወልፊ ይሽገር ስለ ዝነበረ፡ ንሓልዮት ቖልዑ ብምሕሳብ ንግዝይኡ ተፈላልዮም። ይኹን እምበር ኣብ መንጎኦም ቖልዑ ስለ ዘለው ኣብ ቤታን ቤት ጸሎትን ብቐጻሊ ከምዝራኸቡን ክደጋገፉን ጸኒሖም። ኣብታ ስምረት ብትምህርትን ፍልጠትን ንበዓል ቤታ ብዝበለጸ ክትሕግዞ ዓቕሚ ዝደለበትሉን ዝተዳለወትሉን እዋን ግን ወልፊ ብዘበገሶ ሳዕቤን ቅድሚ ሰለስተ ዓመትን መንፍቕን ከም ዝዓረፈ ኣብ መጽሓፋ ገሊጻቶ ኣላ። ሞት በዓል ቤታን ኣቦ ደቃን ነቲ ኣብ ቑልዕነታን ንእስነታን በሰላ ዝገደፈላ ሓዘን ብኸቢድ ከም ዝጎድኦ ግን ከኣ ብሓይልን ጽላልን ፈጣርን ብጽዑቕ ምንባብን ምጽሓፍን ክትጸናናዕ ከም ዝኸኣለት ትሕብር ስምረት። እቲ ነብሳ ንምጽንናዕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እተቕርቦ ዝነበረት ጽሑፋት ብዙሓት ሰባት ክግደስሉን ክጥቀሙሉን ምስ ጀመሩን፡ ዓሚ ግንቦት ዓለምና ብኮቪድ -19 ምስ ተናወጸት፡ ማዕለከናት ዜና ዓለም ከም መዓልታዊ ሞትን ህልቂትን ኣሽሓት ሰባት ክነግራ ምስ ጀመራ ስምረት ውሽጣ ተተንኪፉ። እቲ ኣብ ቴሌቪዥን እትርእዮ ዝነበረት ዝወርድን ዝድይብን ቑጽሪ መልከፍትን መቕዘፍትን ኮቪድ፡ ነቲ ጽሑፋታ ብመልክዕ መጽሓፍ ንምድላው ኣብ ውሽጣ ዝጸንሐ ድጉል ሓሳብ ኣለዓዒሉዎ። \" እቲ ዝንገረና ዝነበረ ኣሃዛት ቁጽሪ ጥራሕ ኣይኮነን። ብሞት ነብሲ ወከፍ ብቑጽሪ ዝውከል መዋቲ ኣኣብ ቤቶም ኮይኖም ዝሓዝኑ፡ ዝቕንዘው፡ ዝነብዑ ዝጉህዩ፡ ኣቦ ኣደ፡ ሓው ሓፍቲ፡ ኣፍቃሪ ኣፍቃሪት፡ ዕሸላት ውሉዳት፡ ዓርከ መሓዛ ኣሕዋት መተዓብይቲ ስለዘለው፡ ንዓኦም በዛ ናይ ምጽንናዕ መጽሓፈይ ክበጽሖምን 'ኣጆኹም ንበይንኹም ኣይኮንኩምን፡ ብስቓይኩም እንጕሂ አሕዋት ኣሎና' ንምባል ዓቲበ ክሰርሕ ደፋፊኡኒ\" ትብል እታ ብቃንዛ ተመኩሮኣ ሩፍታ ሕዙናት አሕዋት ክትርኢ እትብህግ ስምረት። ደቂ ሰባት ኣብዛ ግዝያዊት ዓለም፡ ብከም ፍትሕን ምፍልላይን፡ ስእነት ጥዕና - ሕዱር ሕማም፡ ስእነት ስራሕን ኣታውን፡ ቁጠባዊ ድቀት፡ ምንጻል ጥንሲ፡ ክኾነለይ ካብ ዝበልካዮ ዕድላት ምኹላፍ ዝኣመሰለ ነገራት እውን ይሓዝኑን ይጉድኡን እዮም። ከም ስምረት ዝኣመሰሉ ብተደራረቢ ሓዘን ዝተጎድኡን ኣብዚ ዓውዲ'ዚ ብዙሕ ምርምርን መጽናዕትን ዘካየዱ \"ዘይትዛረበሉን ኣብ ውሽጥኻ እትሕዞን ጓሂ ኣዝዩ ሓደገኛ'ዩ\" ዝብሉ ሊቃውንቲ፡ ሰባት ምስ ዝኣምነዎ ቀረብኦም ብዛዕባ ሓዘኖም ክዛረቡን ወይ ከኣ ቃንዘኦም ኣብ ወረቐት ብምፍሓፍ ክጸናንዑን ከም ዘለዎም እዮም ዝመኽሩ። ሰባት ብዘጋጥሞም ሓዘን ክሓርቁን ክስምብዱን፡ ክገብሮ ነይሩኒ ብዝብሉዎ ጉዳይ ተጸጺቶም ኣብ ዓሚቝ ጓሂ ክጥሕሉ ስለዝኽእሉ፡ ኣጆኹም ዝብሎም፡ ዘጸናንዖም፡ ሓይልን ሞራልን ዝኾኖም ሰብ ከም ዘድልዮም እትሕብር ስምረት ሰኣን ግቡእ ክንክንን ቆላሕታን ኣብ ከበዶም ከቢድ ጓሂ ኣትዩዎም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝወድቁ ሰባት ከምዘለው ተረድእ። \"ኣብ ህይወት ንሓዘን ከም ምግጣምን ምብዳህን ዝኸብድ የሎን። ኣብ ዓድና ብርግጽ ማሕበረ ኮምካ ዳስ ተኺሉ የጸናንዓካ እዩ። ኣብ ስደት ግን ንበይንኻ ኢኻ ትሓዝን፡ እሞ ኸኣ ኣብዚ ናይ ኮቪድ ተዓጾ-ተዓጾ እዋን ፍቱዋቱ ዝሰኣነ ሰብ ብኸቢድ እዩ ዝህሰ\" ትብል ስምረት። እታ ካብ ግብራዊ ተመኩሮኣን ዘዋህለለቶ ፍልጠትን ንህዝቢ ይጠቅም እዩ ብማለት ኣሕቲማ ዝዘርግሓታ ቢዮንድ ግሪፍ (ድሕሪ ሓዘን) ዘርእስታ መጽሓፋ ኣብ ቀረባ እዋን ብትግርኛ ተተርጒና ናብ ህዝቢ ከም እትበጽሕ ትሕብር። ሓያሎ ምሁራት ነታ መጽሓፍ ብምንባብ ምስክርነቶም ኣቕሪቦም ኣለው። ዶክር ገብሩ ወልዱ ንኣብነት \"መሃሪትን መኻሪትን ግብራዊት መጽሓፍ\" ክብል ኣድናቖቱ ኣስፊሩ ኣሎ። ጆዲይ ኣልሞንድ እውን ኣተባባዒት፤ ነቶም ብሓዘን ዝተጎድኡ እተጸናንዕ ሓባሪት መርሓ እያ ክብል ምስክርነቱ ሂቡ ኣሎ። ነርስ ሰርቃዲስ ኣጥናፉ ታደሰ ብወገና፡ ነታ መጽሓፍ ከተንብባ ምስ ጀመርካ ከተቋርጻ ዘይትኽእል፤ ጸሓፊታ ብሓዘን ንዘሕለፈቶ ጸልማት እዋን ብሓይሊ ፈጣሪ ብኸመይ ከም ዝሰገረቶ እተርኢ መጽሓፍ ብምዃና ንዓይ እውን ብሞት ወላዲተይ ንዘጋጠመኒ ሓዘን ንክጸናናዕ ሓጊዛትኒ እያ ትብል።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57278542"} {"headline":"ባህሊ ኢትዮጵያውያን ዘላሊ ‘ኩኩሉ’","content":"ኣብ ግዜ ኣውድኣመት ዝዓደግካያ ደርሆ እንተምለጥትካ ኸ? ብመንጽር ናይታ ደርሆ ሓሲብካዮ’ዶ ትፈልጥ? እታ ደርሆ ንድመቀት እቲ ኣውድኣመት ስለተድልየካ ተጓይኻ ክትሕዛ ኢኻ። እታ ደርሆ ብግዲኣ ህይወታ ክተድሕን ክትብል ክትመላጠጥ እያ። ቅኔ ጌምስ ዝተብሃለ ሓደ ኢትዮጵያዊ ኩባንያ ‘ኩኩሉ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጸወታ ዘማዕበለ ኮይኑ ንዓኻ ናይታ ደርሆ ገጸ ባህሪ ከላብሰካ እዩ። እቲ ጌም ንስኻ ከም ደርሆ ኮይንካ በዓል ዋና ድማ ንዓኻ ንምሓዝ ከጓይየካ እንከሎ ዝገጥሙኻ ጸገማት ሓሊፍካ ክንደይ ዝኣክል ርሕቐት ትጉዓዝ እዩ ብሓጺሩ። ኣብቲ ኩኩሉ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ሞባይል ጸወታ፡ ደርሆን በዓል ዋናን ኣብ ዝጓየይሉ መገዲ ኢትዮጵያውያን ዝፈልጥዎም ኣነባብራ መይላ ኢሉ’ውን ባህልን ሓድግታትን ይረኣዩ። ናይቲ ጌም ዘማዕበለን ዋና ኣካያዲ ስራሕ ቅኔ ጌምስን ኣቶ ዳዊት ኣብርሃም፡ ኣብ ሕድሕድ ምምዕባል እቲ ጌም፡ ሓሳባት ኢትዮጵያ ከምኡ’ውን ኣፍሪቃ ኣጥዮሙ እዮም። ኣብ መንጎ እቲ ጸወታ ጎጆ ቤት፣ ዝተሰጥሑ ክዳዉንቲ፣ ጀበናን ሓድግታት ከምዝርኣዩ ዝሓበረ ኣቶ ዳዊት ኣልባሳትን ሙዚቃን ኢትዮጵያ ዝሓዘ ምዃኑ ኣብሪሁ። ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ጌም ከኣ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ባህልን ጥበባትን ንዓለም ንምልላይ ከምዝኾነ ተዛሪቡ። እቲ ጌም ብቋንቋታት ኣምሓርኛ፣ ትግርኛ፣ ኣፋን ኦሮሞን ኢንግሊዘኛን ንምጥቃም ዘኽእል ኣማራጽታት ዘለዎ እዩ። ፀዋታ ኩኩሉ ኣብ 2018 ኣቆጻጽራ ኣውሮፓውያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተኻየደ ናይ መዛነይ መተግበርታት ተዓዊቱ'ዩ። ባዕሉ ዘማዕበሎ መተግበሪ ሞባይል ክዕወት እዩ ዝብል ግምት ከምዘይነበሮ ዝገልጽ ኣቶ ዳዊት “ኣብቲ ውድድር ዓበይቲ ኩባንያታት ይሳተፉ ስለዝነበሩ ክንዕወት ኢና ኢለ ኣይተጸበኹን ነይረ፣ እንተኾነ ግን ተዓዊትና” ይብል። ዳዊት ካብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ብ’ኤሌትሪካል ኤንድ ኮምፒዉተር ኢንጅነሪንግ’ ዝተመረቐ ኮይኑ ኩኩሉ ጌም ናይ ምምዕባል ሓሳብ ዝተጀመረ ተመራቒ ተምሃራይ እንከሎ እዩ ነይሩ። ውጽኢት ኩኩሉ ርእዩ ምስ ካልእ መሓዝኡ ብምዃን ዘጣየሾ ትካል ድማ ዛጊድ ኣርባዕተ ዓመታት ኮይኑዎ’ሎ። እቲ ኩባንያ 8.6 ሚልዮን ኢንቨስትመንት ከምዝተገበረሉ’ውን ዳዊት ሓቢሩ። እቲ በኩኩሉ ዝተጀመረ ሓሳብ ናብ ካልእ ገበጣ ዝተብሃለ ጌም ተሰጋጊሩ። “ቀንዲ ሓሳብ ገበጣ ወሲድና እቶም ደቂ ሎሚ ክጥምዎ ናብ ዝኽእልሉ ኢና ቀይርናዮ” ዝብል ኣቶ ዳዊት ሓደሽቲ ሕግታትን መምርሕታትን ከምዝተወሰኾ ኣብሪሁ። እዚ ናይ ገበጣ ጌም ካብ ብዓንተውኡ ውጽኢታዊ ከምዝነበረን ውጽኢታዉነቱ ዝተዓዘቡ ናይ ጌም ኣማዕበልቲ ትካላት ብሓባር ናይ ንስራሕ ሕቶ ከምዘቕረብሎም ሓቢሩ። ከም ሓበሬታ ኣቶ ዳዊት እንተድኣኾይኑ “ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ዝመደብሩ ‘ኬሪፈረስት’ ውዕሊ ኣሲርና ኣለና። ነቲ ጌም ወሲዱ ብደረጃ ዓለም ኣሐቲሙ መሸጥኡን መላለይን ንኽሰርሕ ኢና ተሰማሚዕና”። ዋና ስራሕ ኣፈጻሚ ኣሕታሚ ጌማት ‘ኬሪፈረስት’ ኮርዴል ሮቢን ኮኮር “ገበጣ ኣብ ኣፍሪቃ ጥራይ እንተይኮነስ ኣብ ምሉእ ዓለም ተፈታዊ ከምዝኸውን እምነት ኣለኒ” ክብል ንኣሰሽየትድ ፕረስ ምግላጹ ዝዝከር እዩ። ብተወሳኺ እቲ ኩባንያ ኣብ ናይ ኢትዮጵያውያን ባህልን መግብታትን ዘተኮረ ‘ፈታ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ጌም ኣማዕቢሉ’ዩ። ጌም ዘበናዊ ጥበብ ከምዝኾነ ዝኣምን ኣቶ ዳዊት፡ መንነትካ እትገልጸሉ መይላ ክኸውን ከምዝኽእል የረድእ። “ዕሸላት ብቋንቁኦም እናውግዑ ብቋንቁኦም ዘሕጉሶም ነገር እናረኣዩን ታሪኾም እናፈለጡን እንተዓብዮም ንገዛእ ርእሶም ዘለዎም ክብሪ ሓፍ ይብል” ክብል ድማ ከም ማሕበረሰብ ዘለዎ ረብሓታ የብርህ። በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ናይ ጌም ዓውዲ ብዓለም ለኸ ደረጃ ብብልዮናት ዝግመት ገንዘብ ዝንቀሳቐሰሉ ከምዝኾነ ዝዛረብ ዳዊት፡ ሸርፊ ወጻኢ’ውን ክርከቦ ከምዝኽእል እዩ ዝኣምን። እዚ ንምግባር ዘድልዩ ነገራት ድማ ኮምፒዉተርን ኢንተርኔትን ጥራይ እዩ ዝሓትት። ቅኔ ጌምስ ናይ ኢትዮጵያውያን ባህላዊ ጸወታታት ብዓለም ለኸ ደረጃ ተፈተውቲ ጌርካ ናይ ምቕራብ ዕላማ እዩ ዘለዎ። እንተኾነ ግን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሞባይል መተግበሪ ኣማዒብልካ ዝፍጸም ክፍሊት ንምርካብ ዘኽእል ስርዓት ብዘይምህላዉ እቲ ስራሕ ፈታኒ ከምዝገበሮ ኣቶ ዳዊት ገሊጹ። ርሑስ በዓል ትንሳኤ ይግበረልኩም!","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56954882"} {"headline":"ኢሬቻ 2013፡ ኣከባብራ በዓል ህዝቢ ኦሮሞ ብስእሊ","content":"ዓመታዊ በዓል ኢሬቻ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይኽበር ኣሎ። በሰንኪ ኮሮናቫይረስ ከምቲ ናይ ዝሓለፉ ዓመታት ብዙሕ ህዝቢ ኣብቲ በዓል ከም ዘይዕደም ቀዲሙ ተገሊጹ ነይሩ። እቲ በዓል ጽባሕ ሰንበት ካብ ኣዲስ ኣበባ 40 ኪሎሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ቢሾፍቱ’ውን ክኽበር እዩ። ቅድሚ እቲ በዓል ዝተፈላለዩ ምድላዋት ክግበሩ ጸኒሖም ኣለው። ጽኑዕ ሓለዋ ጸጥታ ከም ዘሎ’ውን ይግለጽ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54399340"} {"headline":"ሸሊል፡ ደቂ ኣንስትዮ ትግረ ንሓዳር ዝሕረያሉ ጸወታ","content":"ሸሊል ኣብ ኣርባዕተ ዞባታት ኤርትራ ዝጽወት ትልሂት እዩ። ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ትግረ ጸጉረን ዝቐልዕኦ ሰሊል ኣብ ዝጻወታሉ እዋን ስለዝኾነ ተባዕትዮ ሽዕኡ ንሓዳር ዝደልይዋ ጓል ኣነስተይቲ ዝመርጽሉ ኣጋጣሚ እዩ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50923875"} {"headline":"ኣብ ኣዲስ ኣበባ 10 ሚሊዮን ህዝቢ ክሳተፈሉ'ዩ ዝተብሃለ በዓል ኢሬቻ","content":"ኢሬቻ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከቡ ተኸተልቲ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ኦሮሞ ዝራኸብሉ በዓል'ዩ። እዚ በዓል፤ ኣብ ዝመጽእ ሰንበት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምኽባር ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ ኮይኑ፡ እዚ ንብርክት ዝበሉ ኣባ ገዳታት ከም ዘሐጎሶም ይዝረብ። በዚ ምኽንያት ካብ ሃረር ወረዳ ጃርሶ ከተማ ኣፍረን ቀሎ ዝተበገሰ ገዳ ነገዎ መገርሳ፡ ሓቢሮምዎ ምስ ዝተጉዓዙ ሰባት ጻዕዳ ባንዴራ ሒዞም ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም። ነገዎ፡ ካብ ዝነብረላ ከተማ 10 መስከረም 2012 ተበጊሱ፡ ንትሸዓተ መዓልትን ለይትን ብእግሪ ተጓዒዞም ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ። \"ኢሬቻ ድሕሪ 150 ዓመት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኽበር'ዩ ምስተብሃለ'የ ብእግረይ ክጉዓዝ መሪጸ\" ዝበለ ነገዎ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓሙሽተ ፈልሲ ከም ዝተክል ተዛሪቡ። ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት 30 ሸሕ ፈልሲ ከም ዝተኸሉ ዝዛረብ እዚ መንእሰይ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክተክል'የ ኢሉ። እቲ ምድላው እንታይ ይመስል? ብሮቡዕ፡ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ኦሮሚያ፡ በዓል ኢሬቻ ብድሙቕ ኩነታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምኽባር ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ተገይሩ'ሎ ኢሉ። እዚ ብዓል ድሕሪ 150 ዓመታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንመጀመርታ ግዜ ዝኽበር ዘሎ ኮይኑ፡ ስነስርዓት ኢሬፌና [ስርዓት ምቕራብ ምስጋና]፡ ኣብ ከባቢ 'ፍል ውሃ' ከም ዝፍጸም ድማ ሓቢሩ። ተወከልቲ ኩለን ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ክሳተፉ'ዮም ተባሂሉ ኣሎ። ኣብ ድሮ እዚ በዓል [23 መስከረም 2012]፡ 4ሽሕ ሜትሮ ንውሓቱ ጭኮ( ካብ ጠስምን ስገምን ዝስራሕ ባህላዊ መግቢኡ ኦሮሞ )፣ ሙዚቃ ከምኡ'ውን ባህላዊ ሳዕስዒት ህዝቢ ሲዳማ ሓዊሱ፡ ዝተፈላለዩ ምድላዋት ክህልው'ዮም። ኣብዚ በዓል 10 ሚሊዮን ዝበጽሕ ህዝቢ ክሳተፍ'ዩ ተባሂሉ ትጽቢት እንትግበር፡ ሰላማዊ ኮይኑ ንክዛዘም፡ ካብ 15 ሽሕ ክሳብ 20 ሽሕ ዝኮኑ መናእሰይ፡ ጸጥታ ናይ ምክባር ስራሕቲ ክሰርሑ ምድላው ተገይሩ'ሎ። ትማሊ፡ በዓል ኢሬቻ እንታይ'ዩ? ዝብል ፎሮም እንትካየድ፡ ኣብቲ ፎረም ዝተረኸበት ሚኒስትር ባህልን ቱሪዝምን ወይዘሮ ሂሩት ካሳው፡ \"ባህሊ ብሄር ብሄረሰባት እንድሕር ዘየለ፡ ባህሊ ኢትዮጵያ ዝበሃል ኣይህልውን\" ኢላ። 4000 ሜትር ቁመቱ ጭኮ ወናኒ ካፌ ኣራዳ ኢንተርናሽናል ኣቶ ድንቡ ዓብደላ፡ ነዚ በዓል ምኽንያት ብምግባር፡ 'እቲ ዝነውሐ' ዝተብሃለ ጭኮ ኣዳልዩ። \"ባህላዊ መግቢ እዚ ህዝቢ እንታይ'ዩ? ብምንታይ ይፍለጥ? ኢልና ዝርዝር ሓሙሽተ ባህላዊ መግብታት ምስ ኣነጸርና፡ ጭኮ ኣብ እዋን ኲናት ከም ስንቂ ተቛጺሩ ይኸይድ ስለ ዝነበረ፡ ንዕኡ መሪጽና\" ኢሉ። እዚ 4 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ጭኮ ንምድላው 49 ኩንታል ስገም፣ 3538 ኪሎ ግራም ጠስሚ ተጠቒምና ኢና ይብል። ኣብ መዓልቲ፡ 300 ሜትሮ ዝኸውን ጭኮ ይስራሕ ነይሩ ዝብል ኣቶ ድንቡ፡ 18 ሰባት ኮይኖም ኣብ ውሽጢ 29 መዓልታት ከም ዝሰርሑዎ ሓቢሩ። እዚ ነዊሕ ጭኮ፡ ኣብ መዝገብ ክብረ ወሰን ዓለም ንምምዝጋብ ከም ዝሓሰበ ዝዛረብ እዚ በዓል ሃብቲ፡ መንግስቲ ወጻኢ ሸፊኑ ንዕዱማት ብነጻ ዘየቕርብ እንተኾይኑ፡ ብተመጣጣኒ ዋጋ ንምሻጥ ከም ዝተሓሰበ ሓቢሩ። ባንዲራን ኢሬቻን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮነ ቢሾፍቱ ኣብ ዝበዓል ኢሬቻ፡ ካብ ኣርማ ኣባ ገዳ ወጻእ ናይ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ሰልፊ ኣርማ ሒዝካ ምውጻእ ከም ዘይፍቀድ መተሓባበሪ ኮሚቴን ኣባ ገዳ ቱሉ ለማን ጎበና ሆላ ተዛሪቦም። እቶም ኣርማታት ምክንያት ጎንጺ ከይኾኑን፡ ኢሬቻ ልዕሊ ፖለቲካን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ስለ ዝኾነ ምትሕውዋስ ንከይፍጠር'ዩ እውን ኢሎም። ቅድም ኢሉ፡ ኣርባ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ [ኦነግ] ምልክት ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ እቲ ክልል ተገይሩ ይውሰድ። ቅድሚ ሕጂ'ውን ኣብ ቢሾፍቱ ዝካየድ ዝነበረ በዓል ኢሬቻ ተኸልኺሉ እናሃለወ ሒዙ ዝተረኽበ ውልቀሰብ ብሕጊ ይሕተት ነይሩ። ተሳተፍቲ እቲ በዓል ግን፡ እዚ ኣርማ ሒዞም ከይወጽኡ ስለ ዝተኸልኸሉ ሕጉሳት ከም ዘይኾኑ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49930499"} {"headline":"ናይጀርያ፡ ነበርታ ብስማ ዘይሕጎሱላ ኣፍሪቃዊት ቁሸት ካልእ ስም ቀይራ","content":"እታ ቁሸት ኣብ ምዕራብ ናይጀርያ እትርከብ ኮይና ቅድሚ 70 ዓመታት ብዝተወሃባ ስም ክትጽዋዕ ጸኒሓ። ነበርታ ግን በቲ ስማ ርእሶም ከድንኑ'ዮም ጸኒሖም። ትርጉም ስም ናይታ ቁሸት \"ዓዲ-ዓያሹ (Village of Idiots) ዝብል'ዩ። ነበርታ በዚ ሕጉሳት ብዘይምዃኖም ድማ፡ ሓድሽ ስም ተዋሂብዋ'ሎ። ንስምዒት ነበርቲ ዝተገንዘቡ ኣሚር ወይ ልምዳዊ መራሒ ናይታ ዓዲ፡ ነቲ ሓድሽ ስም ወግዓዊ ምስ ገበሩ፡ ነበርታ ሓጎሶም እናገለጹ ይርከቡ። ስም ናይታ ከተማ ብሓደ ኣብ ናይጀርያ ካብ ዝርከቡ ቋንቋታት፡ ቋንቋ 'ሃውሳ' እዩ ዝጽዋዕ። 'ኡንጉዋር ዋዋየ'፡ \"ዓዲ-ዓንጃላት\" ዝብል ትርጉም ድማ ኣለዎ። ኣሚር ናይታ ቁሸት ከምዘፍለጦ ስያመኣ ካብቲ ዝነበሮ 'ኡንጉዋር ዋዋየ' ናብ 'ያልዋር ካዳና' ማለት \"ዓዲ-ሽሻይ\" ብዝብል ተተኪኡ'ሎ። እቶም ነበርቲ ከምዝብልዎ እንተኾይኑ፡ ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኣብ ዝኸዱሉ እዋን 'ካበይ መጺእኹም?' ዝብል ሕቶ ክቐርበሎም ከሎ፡ ብዝህብዎ መልሲ ንዓመታት ክሓፍሩ'ዮም ጸኒሖም። \"ንካልኦት ሰባት ካብ ከተማ 'ኡንጉዋር ዋዋየ' [ዓዲ-ዓያሹ\/ ዓዲ-ዓንጃላት\/ዓዲ-ዝንጉዓት] መጺኤ ክትብሎም ከለኻ ብጣዕሚ'ዩ ዘሕፍር። ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ካብ 'ያልዋር ካዳና' [እንዳ ሕልፍን ትርፍን] መጺኤ ክትብል ከለኻ ብኹርዓት'ዩ\" ክብል ነባሪ'ታ ቁሸት ባላ ሳኒ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። እቲ ኣሚር ነዚ ተበግሶ ክወስድ ብምኽኣሉ ድማ ምስጋና ከምዝግብኦ ገሊጹ። እታ ቁሸት ኣብ ናይጀርያ ግዝኣት ካኖ እትርከብ ኮይና ነቲ ክትጽውዓሉ ዝጸንሐት ስም ቅድሚ 70 ዓመታት'ያ ረኺባቶ። ነበርታ ኣብ ጥቓ ሓደ ብሩባ ዕሽነት ዝፍለጥ ፈለግ ክነብሩ ምስጀመሩ፡ እቲ ስም ከም ዝጠበቖም ይዝረብ። እቲ ሩባ ብኸመይ ነቲ ስም ክረክብ ከምዝኸኣለ ግን ዝፍለጥ ነገር የለን።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/50555186"} {"headline":"ክልተ ሽሕ ኣባጊዕ ኣብ ዓመታዊ ጽምብል ማድሪድ ተሰሊፈን ውዒለን","content":"ትማሊ ኣብ ዝተኸብረ ዓመታዊ ባህላዊ ጽምብል ስፔን፡ ልዕሊ 2 ሽሕ ኣባጊዕ ንሰልፋዊ ምርኢት ቐሪቦም። ከተማ ማድሪድ፡ ክረምቲ ክኸውን ከሎ፡ ጓሶት መጓሰኦም እናኮብኮቡ ናብ ደቡባዊ ክፍሊ ኣብ ዝሸጋገርሉ ዝነበረ ጥንታዊ መገዲ ዝተደኮነት ከተማ እያ። እዚ ጽምብል፤ 'ፌስታ ዳ ላ ትራሽማኒካ' ዝበሃል ኮይኑ፡ ነቲ ናይ ገጠር ውርሻ ዝወሃብ ክብሪ ንምግላጽ ኣብ 1994 ክኽበር ጀሚሩ። ካብ ማእከላይ ዘመን ጀሚሩ፡ ጓሶት ምስ ጥሪቶም ነታ ከተማ ኣቋሪጾም ክሓልፉ ዘፍቅድ ሕጊ ኣሎ። በብዓመቱ፡ ኣብ ኣዳራሽ እታ ከተማ፡ ኣብ ሞንጎ ከንቲባን ቀንዲ ጓሳ እተን ጥሪትን ብዝግበር ስነ ስርዓት፡ እቶም እንስሳት ብሰላም ንክሓልፉ ክፍሊት ይፍጸም። ብመሰረት ስምምዕ 1418፡ ንሓደ ሽሕ እንስሳት፡ 50 ሳናቲም እዩ ዝኽፈል። ገለ ነተን እንስሳት ዝጓስዩ ሰባት፡ ዝተፈላለዩ ባህላዊ ክዳውንቲ ይኽደኑ። ነዚ በዓል ተባሂሉ፡ ካብ ምትሕልላፍ ሰብን መጓዓዝያን ናጻ ኣብ ዝኸውን ጎደናታት ድማ፡ ብዙሓት በጻሕቲ ዓዲ፡ ነዚ ዘይልሙድ ኩነታት ክዕዘቡ ተራእዮም። ሓደ በጻሒ ዓዲ \"ከምዚ ምህላዩ ኣይፈለጥናን፤ ግን ድማ ዕድለኛታት ኢና\" ክብል ንሮይተርስ ተዛሪቡ። መብዛሕትኦም ኣባጊዕ፡ ኣብ ክሳዶም ቃጭል ተኣሲሩሎም እዮም ኣብ ከተማ ማድሪድ ክጉዓዙ ውዒሎም። ኣብዚ በዓል ተሳተፍቲ ካብ ዝኾኑ ክልተ ሽሕ ኣባጊዕ ብተወሳኺ፡ ኣስታት 100 ኣጣል'ውን ተሳቲፈን'የን። መሰል ዋንነት እዞም ስእልታት ብሕጊ ሕሉው እዩ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50120805"} {"headline":"ብዛዕባ እምኒ ሓይሊ እንታይ ትፈልጡ?","content":"እምኒ ሓይሊ: ኣብ ኤርትራ ኣብ መንጎ መንደፈራን ዓዲዃላን እምኒ ሓይሊ ኣብ ዝበሃል ቦታ ትርከብ። ነዛ እምኒ ሓይሊ፡ ዞባ ደቡብ'ዮም ኣምፂኦማ። ኣብ ሃገራዊ ፌስቲቫል 2019 ድማ ኣቕሪቦማ። መናእሰይ: ነዛ እምኒ ካብ ባይታ ብምልዓል ይነሓንሑ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49950257"} {"headline":"ትካል ባህሊ ትምህርትን ሳይንስን፡ በዓል ጥምቀት ኢትዮጵያ ኣብ ዩኔስኮ ክምዝገብ ተወሲኑ","content":"ትካል ባህሊ፣ ትምህርትን ሳይንስን ሕቡራት ሃገራት [ዩኔስኮ]፡ ንሃይማኖታዊ በዓል ጥምቀት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ወኪል ወዲሰብ ዘይድህሰስ ባህላዊ ቅርሲ ኮይኑ ክምዝገብ ተወሲኑ። ዩኔስኮ ኣብ ኮሎምቢያ [ቦጎታ] ኣብ ዘካይድኦ ዘሎ መበል 14 ኣኼባ ኮሚቴ ሓለዋን ዕቀባን ወኪል ወዲሰብ ዘይድህሰሱ ሓድግታት፡ በዓል ጥምቀት ዝርከቦም ሓሙሽተ ሓድግታት ክምዝወገቡ ውሳነ ኣሕሊፉ። በዓል ጥምቀት፡ ብሃይማኖታውን ባህላውን ስርዓትን ምድላውን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ክኽበር ጸኒሑ'ዩ። ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ እዚ ሃይማኖታዊ በዓል ኣብ መዝገብ ዘይድህሱ ሓድጊታት ዓለም ዩኔስኮ ንምምዝጋብ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ክሰርሑ ጸኒሖም። ዩኔስኮ ምምዝጋብ እዚ በዓል ብዝምልከት ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣብ ዘስፈሮ፡ ጥምቀት ብኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብዘይምቁራጽ እናተኸበረ ዝመጽአ ምኻኑ ብምግላጽ፡ \"ኢትዮጵያውያን ብዝለዓለ ድምቀት ዘኽብሩዎ በዓል እዩ\" ኢሉ። በዓል ጥምቀት ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ኣደባባይ ብድምቀት ዝኽበር ሃይማኖታዊ በዓል ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዯጵያ እዩ። ብተወሳኺ፡ ሙዚቃን ሳዕስዒትን ዶመኒካን ሪፐብሊክ፣ 'ኣልፊኒዝም' ዝተብሃለ ፊዚካላዊ፣ ቴክኒካውን ኣእምሮኣውን ክእለት ዝሓትት ኣብ ፈረንሳ፣ ጥልያንን ስዊዘርላንድን ዝኾነ ዓመታዊ ምሕዃር መንደቕ ዓበይቲ ብበረድ ዝተሸፈኑ ጎቦታት፣ ባህላዊ ጥበብን ጸወታ 'ዶታር'ን ኢራን ህዝቢታት ሜክሲኮን ስፔንን ዝርከብ ባህላዊ ኣሰራርሓ መዝጊቡዎም። ቅድም ኢሊ'ውን፡ ሃይማኖታዊ በዓል መስቀል፣ ህዝቢ ኦሮሞ ንዓመታት ክመሓደሩ ዝጸንሐን ዘሎን ባህላዊ ስርዓት ምሕደራ ገዳ ከምኡ'ውን ዘመን መለወጢ ህዝቢ ሲዳማ ዝኾነ ፊቼ ጨምበላላ፡ ኣፍልጦ ብምሃብ መዝጊቡ'ዩ። ኣብ ኣፍሪቃ፡ ማላዊ ኒስማ ዝተብሃለ ባህላዊ መግቢ፣ ሞሪሽየስ 'ስጋ ታምቡር' ዝተብሃለ ባህላዊ ሙዚቃ፣ ኣይቬሪኮስት ዛዑሊ ዝተብሃለ ባህላዊ ሙዚቃን ሳዕስዒትን ጉሮ ዝተብሃለ ሕብረሰተብ፡ ኣብ መዝገብ ዘይድህሰሱ ሓድግታት ዩኔስኮ ኣመዝጊበን እየን። ኢትዮጵያ፡ ሓወልቲ ኣኽሱም፣ ላሊበላን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ሓድጊታት ኣመዝጊባ'ያ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50754093"} {"headline":"ጭራዋጣ ብፍሉይ ቅዲ ዝጸወት ጸሓይ ብራቕ","content":"ኣብ ትግራይ ወረዳ ወርዒለኸ፡ እንዳ ኣባጻሕማ ተወሊዱ ዝዓበየ ተጻዋቲ ጭራዋጣ ጸሓይ ብራቕ፡ ካብ ግዜ ንእስነቱ ጀሚሩ ናይ እኒ ወዲ ኹሙር ደርፍታት እናሰምዐ እዩ ዓብዩ። ጭራዋጣ ጠላጠለይ እናበለ ናይ ምጽዋት ተኽእሎ ድማ ኣለዎ።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50231701"} {"headline":"\"መርዓት ትግረ ንሸውዓተ መዓልቲ ማእሲ ኣንጺፋ እያ እትድቅስ\"","content":"ጉጅለ ባህሊ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ሃገራዊ ኤክስፖ ኤርትራ፡ ዝተፈላለዩ ባህላዊ ንዋት ሒዛ ቀሪባ። ብፍላይ ናይ መርዓት ገዛ ዝያዳ ቀልብና ስሒብዎ ኣሎ። ብባህሊ ትግረ፡ መርዓት ድሕሪ መርዓኣ፡ ሓደ ዓመት ናብ ስራሕ ኣይትወፍርን።","category":"ባህሊ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50018349"} {"headline":"ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ ሓተትቲ ዕቑባ ናብ ርዋንዳ ንምምላስ ዝተተለመ በረራ ፈቒዱ","content":"ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ ነቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሉስ ሓተትቲ ዕቑባ ናብ ርዋንዳ ንምጉዕዓዝ ዝተተለመ በረራ ፈቒዱ፡፡ ነቲ መደብ ደው ንምባል ክሲ መስሪቶም ዝነበሩ ተሓለቕቲ መሰላት ኣብ ፈላማይ ናይ ቤት ፍርዲ ክርክር ዝተስዓሩ ኮይኖም፡ ሰኑይ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ይግባይ ከምዝወስድዎ ገሊጾም ኣለዉ፡፡ ብመሰረት እቲ መንግስቲ ብሪጣንያ ዘውጸኦ ፖሊሲ፡ ገለ ካብቶም ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተዉ ስደተኛታት፡ ናብ ርዋንዳ ተወሲዶም ሕቶ ዕቑባኦም ኣብኡ ክረኣየሎም እዩ፡፡ ኣስታት 31 ሰባት በታ ፈላመይቲ በረራ ከየድቲ ክኾኑ ከምዝኽእሉ እውን ተነጊርዎም ኣሎ፡፡ እንተኾነ ቤት ፍርዲ ቅድሚ ምውዳእ ወርሒ ሰነ ነቲ ፖሊሲ ኣመልኪቱ ዝቐርቡ ክርክራት ክሰምዕን ክግምግምን እዩ፡፡ ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ፕሪቲ ፓተልን ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰንን፡ ቤት ፍርዲ ነቲ ሓተትቲ ዕቑባ ናብ ርዋንዳ ንምውሳድ ዝተተለመ በረራ ምፍቃዱ ንኢዶም ኣለዉ፡፡ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ዘምጽእዎ ጎስጎስቲ ግና ኣተሓሕዛ ናይቶም ‘‘ብሓይሊ ዝባረሩ ዘለዉ’’ ሰባት ከምዘሻቐሎም ይገልጹ፡፡ ልኡል ዌልስ ዝኾነ  ቻርለስ እውን ንኣካይዳ መንግስቲ ‘‘ዘሰምብድ’’ ብምባል ነቲ ፖሊሲ ከምዝነቐፎ ጋዜጣ ታይምስ ጸብጺባ፡፡ መንግስቲ፡ እቲ መደብ ቁጽሪ ናይ'ቶም ብዘይ ሕጋዊ መገዲ መትረብ እንግሊዝ ኣቋሪጾም ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት ክቕንሰሉ ተስፋ ይገብር፡፡ ኣብዚ ዓመት ጥራይ ዛጊት ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት ነቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ብምግባር ናብታ ሃገር ኣትዮም ኣለዉ፡፡ ሕቶ ዕቑባ እቶም ዝምለሱ ስደተኛታት ብርዋንዳ ዝረኣይ ኮይኑ እቶም ዝቐነዖም ንሓሙሽተ ዓመት፡ ዕድላት ትምህርቲ ሓዊሱ ካልኦት ሓዛገት እናረኸቡ ኣብታ ሃገር ክጸንሑ ይኽእሉ እዮም፡፡ እቶም ሕቶ ዕቑበኦም ተቐባልነት ዘይረኸቡ ድማ ካልኦት መንገድታት ቪዛ እናናደዩ ኣብታ ሃገር ክጸንሑ ዝኽእሉ እኳ እንተኾኑ፡ ካብ ርዋንዳ ዝባረረሉ ዕድል'ውን ዕጹው ኣይኮነን፡፡ ተሓቕቲ መሰላትን ጎስጎስትን እቲ በረራ ከይጅመርን ሰባት ከይውሰዱን ንምዕጋት ክንቀሳቐሱ ቀንዮም እዮም፡፡ እቶም ተሓለቕቲ ኣብ ርዋንዳ ዘሎ ሕጽረታት ስርዓት ምምማይ፡ ሓተትቲ ዕቑባ ናብ ዝብደሉሉ ሃገር ክውሰዱ ይኽእሉ እዮም ዝብሉ ስግኣታትን ኣልዒሎም ክከራኸሩ ጸኒሖም፡፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ዩኤንኤችሲኣር) እውን መንግስቲ ብሪጣንያ ምስ ርዋንዳ ዝገበሮ ውዕሊ ዘይሕጋዊ ከምዝኾነ ንጉዳያት ውሽጢ ዓዲ ብሪጣንያ ክልተ ግዘ ከምዘፍለጦ ሓቢሩ፡፡","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cz95d7qwl52o"} {"headline":"ስደት፡ ናብ ርዋንዳ ምምላስ ዘስግኦም ሓተትቲ ዑቕባ ብሪጣንያ ይሕብኡ ኣለው","content":"ኤጀንሲታት ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ኣብ ብሪጣኒያ ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ከይስደዱ ብምስጋእ ይሕብኡ ከም ዘለው ገሊጾም። መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ገለ ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ርዋንዳ ኮይኖም ጉዳዮም ክከታተሉ ናብታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክወስዶም ትልሚ ከም ዘለዎ ተገሊጹ ነይሩ፡፡ በዚ መሰረት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ መንግስታት ብሪጣንያን ርዋንዳን ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ኣትዮም ዝተባሃሉ ስደተኛታት ሩዋንዳ ንክትቕበሎም ዘኽእል ስምምዕ ከም ዝፈረሙ ይዝከር። ብመሰረት እቲ ውዕል መጻብቦ ኣቋሪጾም ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ሓዳር ዘይብሎም ሰብኡት ብሓይሊ ክውሰዱ ከም ዝኽእሉ ዝተለጸ ኮይኑ፡ እቶም ስደተኛታት ርዋንዳ ክበጽሑ ዘኽእሎም ናይ ሓደ እግሪ ቲኬት ነፋሪት ክወሃቦም ምዃኑ ተገሊጹ'ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 28,526 ሰባት ብኣናእሽቱ ጀላቡ ንብመትረብ እንግሊዝ ብምቁራጽ ናብታ ሃገር ኣትዮም፤ ኣብ 2020 እቲ ቑጽሪ 8,404 ጥራሕ እዩ ነይሩ፡፡ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ካውንስል ስደተኛን ግን በዚ ስግኣት ዝሓደሮም ሓተትቲ ዑቕባ ክሳብ ዓርሶም ምጉዳእ ከም ዘብጽሑ [ሓደ ስደተኛ ነፍሰ ቕትለት ከም ዝፈተነ ብምግላጽ] ሓቢሮም። እቶም ትካላት ገበርቲ ሰናይ እዚ መንግስቲ ብሪጣኒያ ዘውጽኦ መደብ፡ ንስደተኛታት ሓለዋ ናይ ምግባር ግዴታ ዝጥሓሰ'ዩ ክብሉ ነቒፎም። ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣኒያ ብወገኑ ዝኾነ ስደተኛ ዓርሱ ንከይጎድእ ወይ ነፍሰ ቕትለት ከይፍጽም ንምክልኻል ኩሎም መስርሓት ከም ዝትግብር ገሊጹ። እዚ ፖሊሲ ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ሰባት ንምድኻም ክሕግዝ እዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎ'ውን ሓቢሩ። ይኹን'ምበር፡ ብርክት ዝበሉ ትካላት ተሓለቕቲ ስደተኛታትን ፖለቲከኛታትን ዓዲ ኢንግሊዝ ነቲ ፖሊሲ \"ጨካን\" ብምባል ክገልጹዎ እንከለው፡ መንግስቲ ደጊሙ ክሓስበሉ ጸዊዖም'ዮም።፡ ብመሰረት እቲ ውዕል፡ መንግስቲ ርዋንዳ ኣብ መጀመርታ 120 ሚልዮን ፓውንድ ክኽፈሎ እዩ፤ ተቓወምቲ ግና ዓመታዊ ወጻኢ ናይቲ ሙሉእ መደብ ኣዝዩ ገዚፍ ከም ዝኾነ ይሕብሩ፡፡ እቲ ውጥን ብኸመይ እዩ ክትግበር?","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61404119"} {"headline":"ምስጓግ ስደተኛታት ካብ ብሪጣንያ ዝተቓወሙ ተሓለቕቲ ይግባይ ክብሉ’ዮም","content":"መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ክሰጕግ እየ ምባሉ ዝተቓወሙ ተሓለቕቲ፡ ነዚ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ብምውሳድ ይግባይ ከምዝብሉ ተገሊፁ። ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ክግዕዙ ፍቓድ ምሃቡ ስዒቡ’ዩ፡ እቶም ተሓለቕቲ ፅባሕ ሰኑይ ይግባይ ከምዝብሉ ተገሊፁ ዘሎ። ኣብ ዝቕፅል ሰሉስ፡ 31 ሰባት ናብ ሩዋንዳ ከምዝምለሱ ዝተነገሮም እንትኾን፡ ኣብዚ ዓመት ተወሰኽቲ ነፈርቲ  ስደተኛታት ፅዒነን ናብ ሩዋንዳ ክበራ እየን። ናይ ዌልስ ልኡል ቻርለስ፡ ነዚ ሓድሽ ፖሊሲ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ “ዘሸብር” ክብል ከምዝገለፆን ሕጉስ ከምዘይኮነን ጋዜጣታት ዓባይ ብሪጣንያ ፀብፂበን። ልኡል ቻርለስ፡ ንንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ወኪሉ፡ ኣብዚ ወርሒ ናብታ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ብምጋሽ፡ ኣብ ኣኼባ ሃገራት ኮመንዌልዝ ክሳተፍ’ዩ። እንተኾነ ፖለቲካዊ ርኢቶ ካብ ምሃብ ከምዝቑጠቡ ተገሊፁ። ሓድሽ ፖሊሲ ዓባይ ብሪጣንያ ከምዝብሎ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ስደተኛታት፡ ናብ ሩዋንዳ ተመሊሶም ከም ብሓድሽ ዑቕባ ክሓቱ’ዮም። ምምሕዳር ቦሪስ ጆንሰን፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት ንምግታእ እዚ ስጉምቲ ይወስድ ከምዘሎ’ዩ ዝገልፅ። ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ብቻነል እንግሊዝ ሓደገኛ ጉዕዞ ባሕሪ ኣቋሪፆም፡ 10 ሽሕ ሰባት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣትዮም። እንተኾነ ነዚ ምስጓግ ስደተኛታት ዝቃወሙ ተሓለቕቲ፡ “በስገዳድ ካብ ሃገር ክወፅኡrr ይግበር ኣሎ\" ብምባል ንውሳነ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ይኹንንዎ። እዞም ተሓለቕቲ፡ ስደተኛታት ናይ ምምላስ ፈላማይ በረራ ከይካየድን ሰባት ንከይሳፈሩ ንምእጋድ ተሊሞም ነይሮም። ካብ ሞንጎ እቶም ተሓለቕቲ ጀስቲስ ስዊፍት፡ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ፡  ናይ ሚኒስትር ጉዳይ ውሽጢ ዓዲ ፕሪቲ ፓቴል ትልሚ ክሳኻዕ ክፍቀድ የብሉን ኢሉ። ንሱ ወሲኹ፡ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ምስተወሰዱ፡ ምቹው ዘይኮነ ኩነታት ከምዘየጋጥሞም ርግፀኛ ምዃን ኣይከኣልን ክብል ድማ፡ ነቲ ቤትፍርዲ ወሲኹ ተዛሪቡ። ካብ ሞንጎ እቶም ሓተትቲ ዑቕባ ዝኾነ ገዲም ኣዛዚ ፖሊስ ኢራን፡ ናብ ሩዋንዳ ምስከድኩ ሰለልቲ ኢራን ክቐትሉኒ ይኽእሉ’ዮም ዝብል ፍርሒ ኣለዎ። ኣብ ዝቕፅል ሰሉስ ናብ ሩዋንዳ ክምለሱ ስሞም ካብ ሞንጎ ዝተፀርሑ ዝኾነ እዚ ውልቀሰብ፡ ኣብ ኢራን ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ኣይትኩስን ብምባሉ ዝተኸሰሰ ኮይኑ፡ ፍርዱ እናተፀበየ እንከሎ እዩ ናብ ቱርኪ ብምህዳም፡ ቀፂሉ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዑቕባ ሓቲቱ። “ንምንታይ ናብ ሩዋንዳ?  ካብ ናብ ሩዋንዳ ናብ ኢራን ክኸድ እመርፅ። ናብ ሩዋንዳ ከይደ ብፍርሒ ክነብር ኣይደልን” ኢሉ። መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡  ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ምስተመለሱ ዝዓረፈሉ መዕረፊ ቦታ ኣዳልየሎም እየ፡ ይብል። ኣብ ሩዋንዳ ኮይኖም ከም ብሓድሽ ዑቕባ ብምሕታት፡ ናብ ዝቕበልኦም ሃገራት ክኸዱ ይኽእሉ። ዑቕባ ሓቲቶም ተቀባልነት ዘይረኸቡ ሰባት፡ ናብ ዝመፅእሉ ሃገር ክምለሱ ከምዝኽእሉ’ዩ እዚ ሓድሽ ፖሊሲ ዘአንፍት። ዛጊድ 130 ሰባት ናብ ሩዋንዳ ከምዝምለሱ ተገሊፁ ኣሎ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2nd687l4wo"} {"headline":"ጉተረዝ ኲናት ትግራይ ንኸብቅዕ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ህወሓትን ክራኸብ ምፅንሑ ተዛሪቡ","content":"ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ኲናት ደው ንኽብል ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ክራኸብ ምፅንሑ ገሊጹ። ኣንቶንዩ ጉተረዝ፡ ብሪጣንያን ርዋንዳን ዝተፈራረማሉ ስምምዕ ምግዓዝ ሓተትቲ ዑቕባ ከምዘይድግፎ'ውን ኣፍሊጡ'ሎ። ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ቃለመሕትት፡ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድን ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረፅዮን ገብረሚካኤልን (ዶ\/ር) ርክብ ብምፍጣር እቲ ኲናት መዕለቢ ንኽረክብ ክፅዕር ምፅንሑ ተዛሪቡ። ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ክግብርን ናብ ሰላማዊ ዘተ ክመጽኡ ንምግባርን ብቐጻሊ ክሰርሕ ምጽንሑ ወሲኹ ሓቢሩ። \"እቲ ጎንፂ ደው ንኽብል፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ኩሉ ከባብታት ንኽባፃሕ ከምኡ'ውን ሰላም ዘምፅእ ውጽኢታዊ ድርድር ንክካየድ ክፅዕር ፀኒሔ ኣለኹ\" ኢሉ። ንሱ ኣብዚ ቕነ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ናብ ዝኾና ሰኔጋል፣ ኒጀርን ናይጄሪያን ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ እዋን'ዩ ነዚ ዝበለ። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዩ ጉተረዝ፡ ብሪጣንያን ርዋንዳን ዝተፈራረማሉ ስምምዕ ምግዓዝ ሓተትቲ ዑቕባ ከምዘይድግፎ'ውን ኣፍሊጡ'ሎ። ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብሪጣንያ ናብ ግዝኣታ ዝኣትዉ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ናይ ሓደ እግሪ ቲኬት ብምቝራጽ ናብ ርዋንዳ ክግዕዙ ዝገብር ውጥን ምውጻኣ ምስ ክብርታት ኣውሮጳን ዓለምለኻዊ ሕግን ዝጻረር'ዩ ክብል ነቒፉ። \"ኣውሮጳ፡ ምስ ሕቶ ዑቕባ ብዝተሓሓዝ ሓላፍነት ኣለዋ ኢለ እኣምን። ቀንዲ ክብርን ልምድን ኣውሮጳ ስለዝኾነ፤ መበል ሓሙሻይ ውዕል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ዓለምለኻዊ ሕጊ'ውን እዩ።\" \"ስደተኛታት ናብ ካልኦት ምስግጋር ደጊፈዮ ኣይፈልጥን'ዩ። ብፍላይ ምጥያስን ምውሓስ መጻኢ ዕድል ጸቢብ ናብ ዝኾነሉ፡ ዝደኸየት ሃገር፡\" ይብል ጉተረዝ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ብሪጣንያን ርዋንዳን፡ ነቶም ዑቕባ ንምርካብ ናብ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ንምስግጋር ወግዓዊ ስምምዕ ምፍራመን ይዝከር። መንግስቲ ዴንማርክ ልክዕ ከምቲ ብሪጣንያ፡ ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ሓተትቲ ዑቐባ ጉዳዮም ኣብ ርዋንዳ ኮይኑ ክርአ ምስ መንግስቲ ርዋንዳ ዝርርብ ምጅማሩ ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ስደተኛታት ናብ ዴንማርክ ከይኣትዉ ንምክልኻል ተረርቲ ፖሊሲታት ከተኣታቱ ምጽንሑ ይፍለጥ። እቲ ስደተኛታት ናይ ምግዓዝ ውጥን፡ ካብ ብዙሓት ትካላት ተሓለቕቲ መሰል ስደተኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ተቓውሞታት ገጢምዎ ይርከብ። ሓደ ማሕበር'ውን ነቲ ጉዳይ ብሕጋዊ ኣገባብ ደው ንምባሉ ተበግሶ ከምዝወሰደ ገሊጹ ነይሩ።ኤርትራ ብወገና፡ እቲ \"ዘሕንኽ\" ክትብል ዝገለጸቶ ውጥን \"ሕሱርን ዘይስነምግባራውን\" ብምባል ተቓውሞኣ ምግላጻ ይዝከር። እቲ ዋና ጸሓፊ፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ዝረኣዮ ዘይምዕሩይነትን ዘይርትዓዊ ቀረብ ክታበትን ከምዘሕዘኖ'ውን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት ኣነጺሩ። ቅድሚ'ቲ ለበዳ ኣብ ዝነበረ 10 ዓመታት ኣፍሪቃ እታ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕብየት ተመዝግብ ዝነበረት ኣህጉር ምንባራ ብምጥቃስ፡ \"ኮቪድ ምስ መጽአ ግን፡ ኣፍሪቃ ብግብሪ ክታበት ኣይረኸበትን፡\" ኢሉ። \"ኣብ ዕድመይ ካብ ዝረኣኽዎ እቲ ዝኸፍአ ዘይስነምግባራዊ ምንጪ ዘይምዕሩይነት እዩ፡\" ብምባል ድማ ገሊጽዎ። ኣፍሪቃ ካብቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘስዓቦ ቍጠባዊ ቅልውላው ንኽትወጽእ ምስራዝ ዕዳ ኣይተገብረላን ክብል'ውን ተቓዊሙ። ብዘይካ'ዚ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሓደ ቀዋሚ መንበር ከምዝግባኣ እቲ ዋና ጸሓፊ ተዛሪቡ። ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ጉተረዝ፡ እታ ኣህጉር ኣብ ከም ባይቶ ጸጥታ ዝበሉ ዓለምለኻውያን ትካላት እኹል ውክልና ስለዘይብላ፡ \"ግዳይ ድርብ መግዛእቲ\" ትኸውን ኣላ ኢሉ። ቀወምቲ ኣባላት ናይቲ ባይቶ ኣመሪካ፡ ሩስያ፡ ብሪጣንያ፡ ቻይናን ፈረንሳን ምዃነን ይፍለጥ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61341785"} {"headline":"ብሪጣንያ ፈላሞት ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ናብ ርዋንዳ ክትመልሶም’ያ","content":"ብሪጣንያ ብመሰረት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ መንግስቲ ሩዋንዳ ዝበጽሓቶ ስምምዕ፡ ናይ መጀመርታ ናብታ ሃገር ዝምለሱ ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ክትሰዶም ምዃና ሚኒስትር ውሽጢ ዓዲ ብሪጣንያ ኣፍሊጡ። ሰብ መዚ፡ ድሮ ነቶም ካብ 14 ሰነ 2021 ጀሚሩ ናብ ሩዋንዳ ክምለሱ ምዃኖም ዝተፈልጡ ሰባት ስሩዕ መገዲታት ከዳልውሎም ጀሚሮም ኣለው። ይኹን’ምበር፡ እቲ መስርሕ ግብራዊ ኣብ ምግባር ሕጋዊ ማሕለኻታት ከጋጥሞ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ። እዚ ኣካታዒ መደብ፡ ‘ኣንጻር ተፈጥሮ ኣምላኽ’ ክብል ዝገለጾ ሊቀ ጳጳስ ካንተርባሪን ሓዊሱ ብዙሓት ፖለቲከኛታን ትካላት ሓገዝን ነቒፎምዎ እዮም። ብመሰረት እዚ መደብ፡ ናብ ብሪጣኒያ ዝኣተው ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ተመሊሶም መስርሕ ሕቶ ዕቑብኦም ካብኡ ክከታተሉ’ዮም። ሚኒስተር ወሽጢ ዓዲ ፕሪቲ ፓተል፡ እቲ ምስ ሩዋንዳ ዝተበጽሐ ስምምዕ “ነቲ ዘይዕሩይ ስርዓት ዑቕባ ንምምርማርን ሞዴል ንግዲ ኣሰጋገርቲ ሰባት ንምዕጋትን ዝሕግዝ ቑልፊ ስትራቴጂ’ዩ” ኢላ። ኣብዚ ዓመት፡ ልዕሊ 4,850 ሰባት ብመትረብ እንግሊዝ ብጃልባ ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝኣተው ኰይኖም፡ እዚ ቑጽሪ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 831 ከም ዝነበረ ይግለጽ። እቲ ሚኒስትሪ፡ ክሳብ ሕጂ ክንደይ ዝኣኽሉ ሓተትቲ ዕቑባ’ዮም ኣብቲ ናይ መጀመርታ ዙርያ ምግዓዝ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ክምለሱ ዝብል ብወግዒ ዝሃቦ ሓበሬታ የለን። ሓደ በዓል መዚ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ግን፡ ኩሎም እቶም ክምለሱ ተወሲኑሎም ዘለው ስደተኛታት ኣብ መዳጐኒ ሓተትቲ ዑቕባ ከም ዝርከቡ ገሊጹ። ሓደ ምንጪ ቢቢሲ “ትሕቲ 100 ዝኾኑ” ስደተኛታት እቲ መምርሒ ተዋሂቡዎም ኣሎ ኢሉ። እዚ መምርሒ፡ እቶም ሰባት መዓዝን ናብ ርዋንዳ ከም ዝለኣኹ ዘረጋግጽ ሰነድ’ዩ። ሚኒስተር ፓተል፡ እዚ ሰነድ ምሃብ “ካልእ ኣገዳሲ ስጉምቲ” እዩ ኢላ። እዚ ሓድሽ መደብ ምምሕዳር ቀዳማይ ሚኒስትር ቦሪስ ጆንሰን ብሓሙስ ወግዓዊ ክኸውን እንከሎ፡መጀመርታ እቶም ካብ ሓደ ጥሪ ጀሚሩ ካብ ፈረንሳ ብጀልባ ወይ ብናይ ጽዕነት መካይን ተሓቢኦም ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝኣትው ቤተሰብ ዘይብሎም ደቂ ተባዕትዮ ትኹረት ከም ዝገብር'ዩ ተሓቢሩ። ነቐፍቲ፡ እዚ መደብ “ጨካን” እዩ ብምባል መንግሰቲ ዳግመ ግምት ክገብረሉ ጸቕጢ ይገብሩ ኣለው።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cpv5rkx9vk7o"} {"headline":"ዙር ርዋንዳ 2023፡ ኤርትራ ትርከበን 20 ጋንታታት ክሳተፋ’የን","content":"ኣብቲ ኣብ ኣፍሪቃ ሓደ ካብ ዝዓበዩ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ዝኾነ ዙር ርዋንዳ ዓመተ 2023 ኤርትራ ትርከበን 20 ሃገራውያን ጋንታታትን ክለባትን ንኽሳተፋ ተሓርየን ዕድመ ከምዝቐረበለን ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ እቲ ውድድር ኣፍሊጡ። ኤርትራ’ውን ድሮ ንዝቐረበላ ዕድመ ተቐቢላ ክትሳተፍ ምዃና ምግላጻ ፕረዚደንት ኮምሽን ቅድድም ብሽክለታ ርዋንዳ ሜሮዚ ዓብደላ ንቢቢሲ ገሊጹ። ኣብ ኣፍሪቃ ናይ 2.1 መለክዒ ዘለዎ ክልተ ዙራት ጥራይ’ዩ ዘሎ፤ ዙር ትሮፒካለ ኣሚሶን ባንጎን [ዙር ጋቦን] ዙር ርዋንዳን። እዚ ንመበል 15 ግዜኡ ካብ 19 ክሳብ 26 ለካቲት ዝካየድ ዙር ርዋንዳ፡ ብሓፈሻ  ሸሞንተ መድረኻት’ዩ ክህልዎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተቐዳደምቲ ብሓፈሻ 937 ኪሎሜተር’ዩ ሸፊኖም ነይሮም፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ግን ኣብ ክልተ መድረኻት ምምሕያሻት ብምግባር ሓፈሻዊ ርሕቐት ናብ 1129 ኪሎ ሜተር ክብ ኢሉ ኣሎ። ኣብ 2022 ኣብ ዝተኻየደ ዙር ርዋንዳ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ምስ ኢጣልያዊት ጋንታ ድሮን ሆፐር ኣንድሮኒ ጅያካቶሊ ብምዃን ንኻልኣይ ግዚኡ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ እቲ ውድድር ክኸውን ምኽኣሉ ዝዝከር’ዩ። ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ 2020 ነቲ ውድድር ተዓዊትሉ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ዙር ርዋንዳ ኣብ 2019 ናብ ደረጃ 2.1 ክብ ካብ ዝበል እቲ እንኮ ነቲ ውድድር ክልተ ግዜ ዝተዓወተሉ ተቐዳዳማይ ክኸውን ክኢሉ’ዩ። ብሓፈሻ ዙር ርዋንዳ ናብ ደረጃ 2.1 ክብ ኢሉ ካብ ዘካየዶ ኣርባዕተ ውድድራት ኤርትራውያን ነቲ ሰለስተ ክዕወትሉ ክኢሎም’ዮም፡ ኣብ 2019 መርሃቂ ቅዱስ፡ 2020 ከምኡ’ኸኣ 2022 ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ 2021 ኸኣ እቲ እንኮ ንዙር ርዋንዳ ክዕወተሉ ዝኸኣለ ኣውሮጳዊ፡ ስጳኛዊ ክሪስትያን ሮድሪገዝ ክዕወትሉ ክኢሎም። ኣብ 2022 ኣብ ዝተኻየደ ዙር ርዋንዳ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንኮቪድ ዝምልከት ቅጥዕታት እቲ ውድድር ከተማልእ ብዘይምኽኣላ ካብቲ ውድድር ምብኳራ ዝዝከር ኮይኑ፡ ምስ ካልኦት ጋንታታት ዝወዳደሩ ዕዉት እቲ ውድድር ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ምስ ጀርመናዊት ጋንታ ባይክ አየድ ዝወዳደር ዝነበረ ሄኖክ ሙሉብረሃን ከምኡ ኸኣ ምስ ማሊዥያዊት ጋንታ ትራንጋኑ ፖሊጎን ዝወዳደር መትከል እዮብን ኣብቲ ውድድር ብምስታፍ ስም ኤርትራ ከርቍሑ ክኢሎም’ዮም። ኤርትራ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣልጀርያ፡ ሞሮኮ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ርዋንዳን ኢስራኤል ፕሪሜር ቴክ፡ ቶታል ኢነርጂ፡ ባርድያኒ ሱኤስኤፍ፡ ኖቫ ኖርዲክ፡ ኪው 36.5፡ ኢስካልተል ኢስኳዲ፡ ቦልቶን ኢኵቲስ፡ ባይክ ኣይድ፡ ታርቱ 2024፡ ኢኤፍ ኢድኬሽን፡ ሳውዳል ዂክ ስቴፕ፡ ቤንዲክሽን፡ ቻይና ግሎሪ፡ ትረንጋኑ ፖሊጎን እየን። 2022፡ ናትናኤል ተስፋጸዮን 2021፡ ክሪስትያን ሮድሪገዝ 2020፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን 2019፡ መርሃዊ ቅዱስ 2018፡ ሞጉሻ ሳምኤል 2017፡ ኣረሩያ ጆሴፍ 2016፡ ንደየሺንጋ ቫለንስ 2015፡ ንሰንጊማና ቦስኮ 2014፡ ንደየሺንጋ ቫለንስ 2013፡ ግሪድሊንስቶን ደይላን 19 ለካቲት፡ ኪጋሊ ጎልፍ ናብ ርዋምንጋን 115.6 ኪሎ ሜተር 20 ለካቲት፡ ኪጋሊ ናብ ጊሳጋራ 132.9 ኪሎ ሜተር 21 ለካቲት፡ ሁየ ናብ ሙሳንዘ 199.5 ኪሎ ሜተር 22 ለካቲት፡ ሙሳንዘ ናብ ካሮንጊ 138.3 ኪሎ ሜተር 23 ለካቲት፡ ሩሲዚ ናብ ሩባቩ195.5 ኪሎ ሜተር 24 ለካቲት፡ ሩባቩ ናብ ጊሱምቢ 157 ኪሎ ሜተር 25 ለካቲት፡ ንያማታ ናብ ኪጋሊ 115.8 ኪሎ ሜተር 26 ለካቲት ካናል ኦሎምፕያ ናብ ካናል ኦሎምፕያ 75.3 ኪሎ ሜተር","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c2qnnxwz2r2o"} {"headline":"ርዋንዳ፡ ቀዳሞት ተመለስቲ ሓተትቲ ዑቕባ ዓሰርተ ከምዘይኣኽሉ ተገሊጹ","content":"ይግባይ ሰማዒ ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ፡ ነቲ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተወሲኑ ዝነበረ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ናይ ምስግጋር መደብ ክጸንዕ ፈሪዱ። ብመሰረት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ጸባሕ ሰሉስ ኣስታት 11 ፈለምቲ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ክውሰዱ ተወሲኑ ነይሩ። ተሓለቕቲ መሰላት ስደተኛታት፡ ነቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ውሳነ ንምስራዝ ይግባይ ድሕሪ ምባሎም’ዩ እዚ ሓድሽ ፍርዲ ተዋሂቡ ዘሎ። ‘ዲተንሽን ኣክሽን’ ከምኡ’ውን ኤ-ፒ-ሲ ዝተባህሉ ክልተ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ዝወሰዱ ማሕበራት በቲ ውሳነ ከምዝሓዘኑ ገሊጾም። ኣካል ናይቲ መስርሕ ዝነበረ ‘ኬር4ካለ’ ዝተባህለ ካልእ ማሕበር ብወገኑ፡ 8 ሓተትቲ ዑቕባ ጥራይ በቲ ፈላሚ በረራ ናብ ርዋንዳ ክሰጋገሩ ምዃኖም ጠቒሱ’ሎ። ናብ ርእሰ ከተማ ርዋንዳ ኪጋሊ ክጥረዙ ዝሕሰብ ዘሎ ቁጽሪ ሓተትቲ ዑቕባ ብቕጽበት እናንቈልቈለ ይኸይድ ከምዘሎ ይግመት። ሓደ ምንጪ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብቶም ፈለማ ክምለሱ መደብ ተታሒዝሎም ዝነበረ 37 ሰባት፡ ‘ክሲ ዘመናዊ ባርነትን ኣንጻር ሰብኣዊ መሰላትን ብዝተኣሳሰር ሕጋዊ ብድሆታት’ እቲ ቝጽሪ ኣዝዩ ክጐድል ምኽንያት ከም ዝዀነ ገሊጹ። ኣሰናዳኢ ቢቢሲ ማርክ ኢስተን’ውን፡ እታ ነፋሪት ቅድሚ ምብጋሳ እቲ ቝጽሪ \"ናብ ዜሮ ክወርድ\" ትጽቢት ይግበር ይብል። ክሳብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝነበረ ሓበሬታ፡ 130 ዝዀኑ ሰባት ክጥረዙ ከም ዝኽእሉ ዝገልጽ’ዩ ነይሩ። ብሪጣንያ፡ ገለ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ መሬታ ዝኣተዉ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ምልኣኽ፡ ነቲ ውሕስነት ብዘይብለን ጃላቡ ዝግበር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ከዳኽም ከም ዝኽእል እያ ክትገልጽ ጸኒሓ። እቲ ንፖሊሲ ​​ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ኣመልኪቱ ዝቐረበ ናይ ይግባይ ጻውዒት፡ 80% ኣባላት ሓይሊ ዶብ ብዝውክሉ ማሕበር መንግስታውን ንግዳውን ኣገልግሎታት (PCS) ምስ ትካላት ግብረ ሰናይ ‘Care4Calaisን Detention Action’ን ብምትሕብባር ዝቐረበ እዩ። ‘ኣሳይሉም ኤይድ’ ዝተባህለ ካልእ ትካል ግብረ ሰናይ ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ’ቲ ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር መስርሕ ምጥራዝ ብምቅዋም ኣቤቱታኡ ከስምዕ ድሕሪ ምሕታቱ’ውን፡ እቲ ጉዳይ ሎሚ ሰኑይ ብፍሉይ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክስማዕ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። ፖሊሲ ሩዋንዳ ብማሕበራት ግብረ ሰናይ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ተቓወምቲ ውድባት፡ ከምኡ'ውን ብልኡል ዌልስ፡ \"ዘስካሕክሕ\" ተባሂሉ ብተሪር ክንቀፍ ከም ዝጸንሐ መጽሔት ታይምስ ሓቢሩ። ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሩዋንዳ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ጆንስተን ቡሲንግየ ንጋዜጣ ዳይሊ ቴሌግራፍ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሃገሩ ንስደተኛታት \"ውሑስቲ መዕቈቢት\" ክትከውን ምዃና ገሊጹ። ጸሓፊት ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ፕሪቲ ፓተል፡ \"መብዛሕትኦም፡ ካብቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ በተን ዘይሕጋውያን ጀላቡን መካይን ጽዕነትን” ናብታ ሃገር ዝኣተው ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ክግዕዙ ከም ዝተወሰነ ትዛረብ። ብመሰረት ሓበሬታ ሰበስልጣን ብሪጣንያ፡ እቶም ኣብዚ መደብ ቀዳምነት ዝወሃቦም መንእሰያት ኰይኖም፡  እቶም ሰበስልጣን ስድራቤታት ንኸይመቓቐሉን ይጽዕሩ ከምዘለዉ የረድኡ። ኣብቲ ብዓርቢ ዝወዓለ መስርሕ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ጀስቲስ ስዊፍት ከም ዝበሎ፡ ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ፖሊሲ፡ ምርግጋጽ \"ንዋታዊ ህዝባዊ ረብሓ\" ብምባል ክትገልጾ ክኢላ እያ። ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ርዋንዳ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ክግበረሎም ከም ዝኽእል ዝረጋግጽ ዝዀነ መርትዖ ከም ዘየለን፡ ኣብ ግምት ከምዘየእተወን ድማ ገሊጹ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4njx5r18v7o"} {"headline":"ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ውድድር ሴካፋ ክጋጠማ’የን","content":"ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ትሕቲ 17 ዓመት፡ ኢትዮጵያ ኣብ እተአንግዶ ግጥም ሴካፋ ክጋጠማ’የን። 10 ሃገራት ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ኣብ ክልተ መድብ ተመዲበን ኣብ ስታድዮም ኣበበ በቂላ - ኣዲስ ኣበባ ግጥማት ከካይዳ’የን። ኣብቲ ንኽልተ ሰሙን ዝካየድ ጸወታታት፡ ቀዳመይትን ካልኣይትን ኰይነን ውድድረን ዝዛዘም ሃገራውያን ጋንታታት፡ ናብቲ ኣብ 2023 ኣብ ኣልጀርያ ዝካየድ ዋንጫ ኣፍሪቃ ትሕቲ 17 ዓመት ብቐጥታ ክሓልፋ’የን። ኣብቲ ካብ 30 መስከረም ክሳብ 15 ጥቅምቲ ዝካየድ ጸወታታት፡ ኣብ ምድብ ሓደ ተመዲባ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ 30 መስከረም ኣብ መኽፈቲ ጸወታ ኣንጻር ሃገራዊት ጋንታ ሶማልያ ፈላሚ ግጥም ከተካይድ'ያ። ኣብ ምድብ ሓደ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ታንዛንያ፡ ሶማልያን ደቡብ ሱዳንን። ኣብ መድብ ክልተ ኸኣ ኡጋንዳ፡ ጅቡቲ፡ ርዋንዳ፡ ሱዳንን ብሩንድን ተመዲበን ኣለዋ። ሃገራውያን ጋንታታት ዛንዚባርን ኬንያን ምኽንያቱ ብዘይተገልጸ ኣብዚ ውድድር ከምዘይሳተፋ ተፈሊጡ ኣሎ። ሃገራዊት ጋንት ኤርትራ፡ 2 ጥቅምቲ ኣንጻር ታንዛንያ፡  9 ጥቅምቲ ኣንጻር ደቡብ ሱዳን፡ 12 ጥቅምቲ ኣንጻር ኢትዮጵያ ጸወታ ተሰሪዑላ ኣሎ። ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብወገና 30 መስከረም ኣንጻር ታንዛንያ፡ 3 ጥቅምቲ ኣንጻር ደቡብ ሱዳን፡ 6 ጥቅምቲ ኣንጻር ሶማልያ፡ 12 መስከረም ኸኣ ኣንጻር ኤርትራ ጸወታ ከተካይድ መደብ ተሰሪዑላ ኣሎ። ኵሎም ኣባላት ተሳተፍቲ ሃገራውያን ጋንታታት፡ ቅድሚ 26 መስከረም ናብ ኢትዮጵያ ብምእታው ሕክምናዊ መርመራታት ክገብሩ ምዃኖም ኣካየድቲ ሴካፋ ገሊጾም። ኣብ 2020 ኣብ ርዋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ሴካፋ ትሕቲ 17 ዓመት፡ ሃገራዊት ጋንታ ኡጋንዳ ንታንዛንያ 3 ብ 1 ብምስዓር ዋንጫ ከምዝወሰደት ዝዝከር እዩ። ኣብ 2018’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ታንዛንያ ኣብ ዝተኣንገደ ውድድር ሃገራዊት ጋንታ ኡጋንዳ፡ ንሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ 3 ብ 1 ብምስዓር ተዓዊታ ነይራ። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ትሕቲ 17 ዓመት ኣብ 2009 ኣብ ሱዳን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ካልኣይቲ ብምዃን ውድድራ ምዝዛማ ዝዝከር ኰይኑ፡ እዚ ዓወት እዚ እቲ ዝበለጸ ተመዝጊቡ ዘሎ ውጽኢት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ትሕቲ 17 እዩ። ኤርትራ ኣብቲ እዋን፡ ምስተን ኣብ ምድባ ዝነበራ ብሩንድን ርዋንዳን ብቕደም ሰዓብ 2 ብ2 ከምኡ ኸኣ 0 ብ 0 ብምፍልላይ፡ ነታ ካብ ምድብ ክልተ ዝሓለፈት ዛንዚባር 3 ብ 1 ስዒራ እያ ናብ ፍርቂ ፍጻመ በጺሓ። ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ንኣአንጋዲት ሃገር ሱዳን፡ 2 ብ 1 ብምስዓር’ኳ ናብ ፍጻመ እንተሓለፈት፡ ብኡጋንዳ 2 ብ0 ተሳዒራ ተዓዋቲት ብሩር መዳልያ ብምዃን ጸወታኣ ምዝዛማ ይዝከር።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c0dwg3nxdl0o"} {"headline":"ኬንያ ስለምንታይ'ያ ሰራዊታ ኣብ ኲናት ኮንጐ ትጽንብር ዘላ?","content":"ኣብቲ ካብ ዓለምና ዝነውሐ ቀታሊ ግጭታት ዝካየዶ ቦታ፡ ኣብ መንጎ ወተሃደራት ኮንጎን ብኤም23ን ዝጽውዑ ተቓወምትን ውግእ ድሕሪ ምውልዑ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም ኣስታት 100,000 ከኣ ካብ ኣባይቶም ሃዲሞም ኣለው። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ሰራዊት ኬንያ ኣብታ ብማዕድን ዝሃብተመት እተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ዚዋግኡላ ዘለዉ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፡ ኣብ ጎድኒ ሰራዊት እታ ሃገር ብምዃን፡ ሰላም ንምንጋስ ናብቲ ውግእ ይጽንበሩ ኣለው። ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ቅድሚ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ብእተላዕለ ግጭት፡ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ሰባት ሞይቶም፡ ኣስታት 4.5 ሚልዮን ድማ ካብ ኣባይቶም ተመዛቢሎም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ኣንጻር ልዕሊ 100 ዕጡቓት ጕጅለታት ኣብ ዝተገብረ ውግእ፡ ሰራዊት ዓቃብ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዙሕ እኳ እንተ ዓየየ፡ እቲ መጥቃዕቲ  ግን መሊሱ ብኢሱ እምበር  ኣይነከየን። ኤም23ን ሰራዊት ኮንጎን ንምጅማር እቲ ሕጂ ዘሎ ቅልውላው ንሓድሕዶም  እዮም ዝካሰሱ። እቲ ምስሕሓብ ኣዝዩ እናበርትዐ ስለዝመጽአ ፕረዝደንት ፊሊክስ ቲሺሴኬዲ  ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ መንእሰያት እታ ሃገር ነቲ ሰራዊት ንምሕጋዝ ብረት ኣልዒሎም 'ብንቕሓት ኽዋግኡ’ ጻዊዒት ኣቕሪቡ። ሳዕቤን እቲ ግጭት ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ጥራይ ኣይተሓጽረን። ኣብ መንጎ ርዋንዳን ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን እውን ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ ኣኸቲሉ እዩ። ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ጐረቤታ ንዕጡቓት ኤም23 ከም እትድግፍ እያ ትኸስስ። ርዋንዳ ግን ነቲ ክሲ ትነጽጎ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ደሞክራሲያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ኣብ ሃገራ ንዝነበረ ኣምባሳደር ርዋንዳ ሰጒጋቶ። ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት እተመስረተ ብ ኤም23 ዝፍለጥ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ነቶም ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝነብሩ ተወለድቲ ቱትሲ ካብ ሚሊሻታት ሁቱ ከምዝከላኸለሎም እዩ ዝገልጽ ። ፕረዚደንት ርዋንዳ ፖል ካጋመ፡ ኣብ 1994 ሕሉፋት ሁቱ ኣብ ልዕሊ ቱትሲ ጃምላዊ ህልቂት ድሕሪ ምፍጻምም፡ መራሒ ናይቲ ኣንጻር ሁቱ ናይ ዝቃለስ ዕጡቕ ጉጅለ ቱትሲ ኮይኑ እዩ ናብ ስልጣን መጺኡ። ኣብቲ እዋን ኣብ ሩዋንዳ ብዝተላዕለ ዓሌታዊ ግጭት ብኣማኢት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ዓሌት ቱትሲ ተቐቲሎም እዮም። ሓይልታት ፕረዚደንት ካጋመ ንሩዋንዳ ምስ ተቘጻጸሩ ከኣ፡ ብዙሓት ካብቶም ኣብ መንግስታዊ ስልጣን ዝነበሩ፡ በቲ ዝተፈጸመ ገበን ክሕተቱ ዝግብኦም ሰባት ናብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ሃዲሞም። እታ ሃገር ናብቲ ዞባዊ ጕጅለ ካብ እትጽንበር ሒደት ኣዋርሕ እኳ እንተገበረት፡ መራሕቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ነዚ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ምብራቓዊ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝተወልዐ ኲናትን ንሱ ዘስዓቦ ቅልውላውን ንምህዳእ ሓደ ሓይሊ ኺልእኩ ተሰማሚዖም። ብዛዕባ ብዝሒ እቶም ኣብኡ ዝዋፈሩ ወተሃደራት ንጹር ኣሃዝ የለን። ክሳዕ ሕጂ፡ ኣርባዕተ ሃገራት፡ ማለት ኬንያ፡ ዩጋንዳ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ቡሩንዲ ጥራሕ’የን ወተሃደራተን ይልእካ ከም ዘለዋ ዝገለጻ። ሓደ ሽሕ ሰራዊት ኬንያ ምስ’ቶም ኣብ መጀመርታ ነሓሰ ናብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝኣተዉ ናይ ቡሩንዲ ወተሃደራት፡ ሰላም ንምኽባር ክተሓባበሩ እዮም። ታንዛንያ ተዋጋእቲ ሰራዊት ክትልእኽ ድያ ኣይክትልእክልን ንጹር ነገር የሎን። ወተሃደራውያን ሰበ-ስልጣን፡ ጸጥታውን ስልታውን ምኽንያት ከም ዘለዎም ብምጥቃስ  ቍጽሪ እቶም ዝለኣኹ ወተሃደራት ክገልጹ ኣይደለዩን። ኣብዚ እዋን እዚ ወተሃደራት ቡሩንዲ ኣብ ጥቓ ደቡብ ኪቩ ቡካቩ ኣብ ዝርከብ ሉቤዚ ዝበሃል ቦታ እዮም ዓስኪሮም ዘለዉ። እቲ ኬንያዊ ሓያሊ ከኣ ኣብ ሰሜን ኪቩ ኣብ ጥቓ ጎማ ሰፊሩ ንዞባዊ ሓይሊ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክእዝዝ እዩ ። ርዋንዳ እውን ኣባል ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እያ። ይኹን እምበር [ምስ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ብዘለዋ ምስሕሓብ] ኣብቲ ዞባ ምስ ዝሳተፍ ዘሎ ሓይሊ ክትጽንበር ኣይተደልየን። ተቓወምቲ ሓይልታት ኤም23 ኣብ ምብራቓዊ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ንዝርከባ ሓያሎ ከተማታት ሒዞምወን ኣለዉ። ኣብዚ ቀረባ ሳምንቲ ከኣ ተወሳኺ ቦታታት ይቆጻጸሩ ኣለው። ሰራዊት ምብራቕ ኣፍሪቃ ከኣ ኣብተን ቅልውላው ዘለወን ሰለስተ ኣውራጃታት፡ ማለት ኣብ ሰሜን ኪቩ፡ ደቡብ ኪቩን ኢቱሪን ክህሉ እዩ፤ ግን ንሱ ጥራይ ኣይኰነን ኣብቲ ቦታ ዝዋጋእ ሓይሊ። ነፍሲ ወከፍ ክፍልታት እተፈላለየ ተልእኾ ክህልዎ እዩ። ወተሃደራት ኬንያ ድሮ ሰራዊት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝርከበሉ ሰሜናዊ ኪቩ ንዝርከቡ ተቓወምቲ ከተኵሩ እዮም። ሰራዊት ዩጋንዳ ነቲ ኣብ ሰሜን ኪቩን ኢቱሪን ዝርከብ ምስ እስላማዊ መንግስቲ ምትእስሳር ዘለዎ ጥሙር ደሞክራስያዊ ሓይልታት ክገጥሙ እዮም። ጥሙር ደሞክራስያዊ ሓይልታት ኣብ ዩጋንዳ መጥቃዕትታት ክፍጽም ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ደቡብ ኪቩ ዝሰፈሩ ሰራዊት ቡሩንዲ ምስ ሚሊሻ ታባራ ክዋግኡ እዮም። ሓይልታት ደቡብ ሱዳን ከኣ ምስ ተረፍ ሎርድ ሬዚስታንስ ኣርሚ ክዋግኡ እዮም። ሓይሊ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንዕጡቓት ጉጅለታት ዕላማ ዝገበረ ምዃኑ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ 2000 ኣትሒዙ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ብምስፋር ንሰላማውያን ሰባት ኣብ ምዕቋብን ንሰራዊት ኮንጎ ኣብ ምድጋፍን ጥራይ እዩ ተሓጺሩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ደሓር፡ ኣብቲ ዞባ ንዚንቀሳቐሱ ዕጡቓት ጕጅለታት ዝዓለመ መጥቃዕቲ ክፍጽም ሓላፍነት ዘለዎ ሰራዊት ክፍጠር ፈቒዱ። ሰባት ካብቲ ውግእ ፈሪሖም ናብ ከባቢ ዶብ ይሃድሙ ኣለው። እቲ ናይ ጣልቃ ብርጌድ ዝበሃል፡ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃን ታንዛንያን ማላዊን ዝተዋጽአ ሰራዊት እዩ። ብዙሓት ደቂ ኮንጎ ግና  ነቲ ሞኑስኮ ተባሂሉ ዝጽዋዕ 13,000 ዝበጽሕ ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ካብቶም ተቓወምቲ ክከላኸለሎም ብዘይምኽኣሉ ብትሪ ይነቕፉዎ። ኣብ መጀመርታ ናይዛ ዓመት፡ ተቓዋሚ ጉጅለ ኤም23 እናሓየለ ድሕሪ ምምጽኡ፡ ኣብ ልዕሊ ው.ሕ.ሃ. ተቓውሞታት ይቕጽል ኣሎ። ተንተንቲ ጸጥታ፡ እቲ ኩነታት ክሃድእ እንተኸይኑ፡ ሓይልታት ጸጥታ ምብራቕ ኣፍሪቃን ሞኑስኮን ሓቢሮምን ተወሃሂዶምን ክሰርሑ ከምዘለዎም ይገልጹ። ኬንያ ኣብ መንጎ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን እቶም ተቓወምትን፡ ዘላቒ ሰላም ኣብ ምስፋን እጃማ ኣበርኪታ እያ። ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ወርሒ መጋቢት እያ ናብ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተጸንቢራ። ሽዑ ኣብቲ መስርሕ ቀንዲ ተራ ዝተጻወተ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ፡ ነቲ ዝርርብ ሰላም ንምቅልጣፍን ነቲ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ናይሮቢ እተሰማምዑሉ ስምምዕ ሰላም ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ከሳልጥ ተመዚዙ ኣሎ። ተንተንቲ ምክልኻልን ጸጥታን ግና፡ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ እቲ ሓላፍነት በቲ ሕጂ ንፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ዝተክአ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ክተሓዝ ትደልይ ምንባራ ይዛረቡ። ኬንያ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ምዕቡል ቁጠባ ዘለዋ ሃገር ብምዃና፡ ኣብ ብምሉኡ እቲ ዞባ ብንግድን ወፍርን ንግዳዊ ዝምድናኣ ከተስፍሕ ትጽዕር ኣላ። ምብራቓዊ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ፍሉይ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ማዕድናት እዩ ዘለዎ። ኣብቲ ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ዝጸንሐ ዕጥቃዊ  ግጭት ከኣ ማዕድናት ዓቢ ተራ ነይሩዎም። ሓያሎ ተቓወምቲ ጕጅለታት ነቲ ዞባ ንምቁጽጻር ዝደልዩሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ፡ ከም ቲን ፡ ታንግስተን፡ ታንታሉን ወርቅን ዝኣመሰለ ማዕድናት ንምምዝማዝ እዩ። ፕረዚደንት ቲሺሰከዲ፡ ርዋንዳ ኣብቲ ዞባ ንዘሎ ማዕድናት ንምዕናው ነቲ ሰላም እቲ ኸባቢ ትዘርጎ ከምዘላ እዩ ዝገልጽ። ርዋንዳ ግና ኣብ ዘይምርግጋእ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝዀነ ይኹን ግደ ከም ዘይብላ እያ ትገልጽ። ይኹን እምበር፡ ብ1990 ነቲ ብዕጡቓት ሚሊሻታት ሁቱ ዝግበር መጥቃዕትታት ደው ንምባል ክልተ ሳዕ ሰራዊታ ናብታ ዓባይ ጐረቤታ ሃገር ኮንጎ ሊኢኻ እያ። እዚ ከኣ ኣብ መወዳእታ፡ ካብ ሸውዓተ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ዝመጽኡ ሰራዊት ናብ ግጭት ዝኣተውሉ ኣጋጣሚ ፈጢሩ። ብ2002 ብሕቡራት ሃገራት ዝተወደበት ጕጅለ ክኢላታት ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፡ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ዩጋንዳ፡ ርዋንዳ፡ ዚምባብወን ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ምትእስሳር ዘለዎም ገበነኛታት ንማዕድናት እታ ሃገር ብምምዝማዝ ከም እተጠቕሙ ገሊጹ ነይሩ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c51lm7krdxgo"} {"headline":"ምልኣኽ ሓተትቲ ዕቑባ፡ ርዋንዳ 'ቀታሊት እያ' ዝብል መጠንቀቕታ ቀሪቡ ምንባሩ ተገሊጹ","content":"ንውጥን ምልኣኽ ሓተትቲ ዕቑባ ናብ ርዋንዳ ዝደገፉ ሚኒስተራት ብሪጣንያ፡ መንግስቲ ርዋንዳ ንተቓወምቲ ከምዝኣሰርን ከምዘሳቕን ከም ዝቐትልን ብኣማኻሪ ተገሊጽሎም ምንባሩ ተሓቢሩ። እቲ መጠንቀቕታ መንግስቲ ብሪጣንያ ነቶም ስደተኛታት ናብታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ከዕግዞም ቅድሚ ምፍታኑ ቅድሚ ሰሙናት ዝተዋህበ እዩ ነይሩ። እቲ ኣማኻሪ፡ ክብደትን ጭቡጥነትን ወግዓዊ ጸብጻብ ሰባዊ መሰላት ርዋንዳ መሰረት ብምግባር እዩ ሻቕሎቱ ገሊጹ። ኣብዚ እዋን መንግስቲ ብሪጣንያ ነቶም ዝሓብኦም ነዚ ዝምልከቱ ርእይቶታት ክቐልዖም ሕጋዊ ምጕት ይካየድ ኣሎ። እቶም ኣብ ፈላማይ በረራ ክውሰዱ ተዳልዮም ዝነበሩ ስደተኛታት ዝተፈለጡ ኰይኖም፡ ቢቢሲ፡ ታይምስን ዘ ጋርድያንን ዝርከብዎም ማዕከናት ዜና እቲ ሓበሬታ ዕላዊ ክግበር ሓቲቶም ኣለዉ። ፈላማይ በረራ ኣብ ወርሒ ሰነ ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዝነበረ ኰይኑ፡ ቤት ፍርዲ ሰባዊ መሰላት ኣውሮጳ እቲ ፖሊሲ ሕጋዊ ምዃኑ ላለዋይ ቤት ፍርዲ ለንደን ክርእዮ ብምውሳኑ እቲ ጕዕዞ ክስረዝ ተገይሩ። እቲ ጉዳይ ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ክርአ መደብ ተታሒዙሉ ኣሎ። ብሰሉስ መንግስቲ እታ ሃገር፡ ብሓደ ሽሙ ዘይተጠቐሰ በዓል ስልጣን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብዛዕባ ርዋንዳ ዝተወሃቡ 11 ርእይቶታት ኣብቲ መስርሕ ፍርዲ ከይጠቓለሉ ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሓቲቱ ኣሎ። እቶም ሰብመዚ ነቲ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ ፍልጠት ዘለዎ ውልቀ ሰብ፡ ብዛዕባ ርዋንዳን ኣተሐሕዛ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ዝምልከት ረቒቕ ርእይቶ ክህብ ከምዝሓተትዎ እቲ ቤት ፍርዲ ሰሚዑ እዩ። እቲ ውልቀ ሰብ ኣብ ዝጸሓፎ ኢመይል፡ ኣብ ርዋንዳ ‘‘ጥቡቕ ቍጽጽር መንግስቲ፡ ዘይተጻዋርነት ንፖለቲካውያን ተቓወምቲ፡ ጃምላዊ ማእሰርቲን ምስቓይን ካብኡ ሓሊፉ'ውን ቅትለት፡ ካብቶም ከም ቅቡላት ዝውሰዱ ኣገባባት ምዃኖም’’ ምግላጹ ናብቲ ቤት ፍርዲ በጺሑ እዩ። ንትካላት ሚድያ ወኪሉ ዝቐረበ ጁድ በንቲንግ፡ እቲ ከይግለጽ ዝተገበረ ርእይቶ እቲ በዓል ሞያ ንርዋንዳ ዝምልከት ወሳኒ ነጥቢ ክኸውን ከምዝኽእልን ህዝቢ ክፈልጦ ከምዝግባእን ነቲ ቤት ፍርዲ ኣረዲኡ። ዳይና ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጀስቲስ ልዊስ፡ እቶም ሰነዳት ብምስጢር ይተሓዙዶ ኣብ ዝብል ጉዳይ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልቲታት ውሳነ ክህብ እዩ። ኣብ መጀመርታ ሰብመዚ ብሰንኪ ጉድለት ኣትሓሕዛ ሰባዊ መሰላት፡ ንሩዋንዳ ካብ ዝርዝር ስደተኛታት ከዕቍባ ዝተመረጻ ሃገራት ኣውጺኦምዋ ምንባሮም እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰሚዑ ነይሩ። ቤት ጽሕፈት ውሽጢ ጉዳያት ብሪጣንያ እቲ ብበዓል ሞያ ዝተወሃበ ርእይቶ ዕላዊ ምግባር ‘‘ኣብ ዓለምለኻዊ ርክባትን ሃገራዊ ድሕነትን ጉድኣት ከውርድ ከምዝኽእል\" ይገልጽ። ሰልፊ ዕዮ ብግዲኡ እቲ ኣማኻሪ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ሚኒስትሪ ውሽጢ ዓዲ ዝተዋህቦ መጠንቀቕታ ከምዝጠሓሰን መንግስቲ እውን ነቲ ሓቂ ካብ ህዝቢ ንምሕባእ ከምዝፈተነን ዘመላኽት እዩ ኢሉ፡፡ እቲ መደብ \"ብዘይሕጋዊ፡ ሓደገኛን ኣድላዪ ዘይኮነን\" መንገዲ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተዉ ስደተኛታት ናብታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክውሰዱን ኣብኡ ኮይኖም ሕቶ ዕቝባ ከቕርቡን ዝዓለመ እዩ። በዚ መሰረት፡ ርዋንዳ ኣብ መጀመርታ 120 ሚልዮን ዩሮ ዝኽፈላ ኰይኑ፡ ቍጽሪ ዝለኣኹ ስደተኛታት ብዝወሰኸ እውን ተወሳኺ ሚልዮናት ክትረክብ እያ፡፡ እቲ መደብ ስደተኛታት ዝወስድዎም ሓደገኛ መንገዲታት ዘትርፍን ህይወት ዘድሕንን ከምዝዀነ እዩ መንግስቲ ብሪጣንያ ዝገልጽ። ኣብዚ ዓመት ዛጊድ 13,000 ሰባት ብፈረንሳ ኣቋሪጾም ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ኰይኖም፡ እቶም ኣስታት 8,000 ድሕሪ እቲ ናብ ርዋንዳ ናይ ምልኣኽ መደብ ዝኣተዉ እዮም። ተሓለቕቲ መሰላት፡ ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን እቲ ውጥን \"ጭካነ\" ብምባል ተቓዊሞምዎ እዮም።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c9ey21m0xx9o"} {"headline":"ናብ ሩዋንዳ ምምላስና ናብ ኤውሮጳ ንኽንኣቱ ኣይዓገተናን' -ኤርትራውያን ስደተኛታት","content":"ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ፡ ሩዋንዳ ንስደተኛታት እተዕቍብ፡ ውሕስትን ምችእትን ሃገር ምዃና ይገልጽ። ይዅን እምበር ኣብ 2017 ካብ እስራኤል ናብ ሩዋንዳ ተመሊሶም፡ ግን ኣብኡ ደው ከይበሉ፡ ብመገዲ ሰሃራን ባሕርን ንኤውሮጳ ዝኣተው ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ቢቢሲ ኣዘራሪብዎም ኣሎ። ወዲ 36 ዓመት ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ባህኣበሎም መንገሻ፡ ናብ ሩዋንዳ ምምላስ ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ ኣጸቢቑ ይፈልጦ’ዩ። ግን ኣብኡ ነዊሕ ኣይጸንሐን። ባህ ኣበሎም፡ ብ2007 ካብ ኤርትራ ግዱድ ዕስክርና ኣምሊጡ ብመገዲ ሰሃራን ሲናይን እዩ ናብ እስራኤል ኣትዩ ዑቕባ ሓቲቱ። ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት፡ እቲ ዝተዋህቦ ግዝያዊ ፍቓድ ተሓዲጉ፡ ሰለስተ ኣማራጺታት ቀሪቡሉ። እቲ ሓደ፡ ናብ ሃገሩ ምምላስ ኰይኑ፡ እቲ ካልኣይ ድማ መዳጐኒ ማእከል ክኣቱ ዝብል እዩ። እቲ ናይ መወዳእታ ክኣ፡ 3,500 ዶላር ተዋሂቡዎ ናብ ሩዋንዳ ክምለስ ነበረ። ንዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመት ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብር ዘሎ ባህኣበሎም፡ እዚኦም ፍጹም ኣማራጺ ኣይመስሉን ክብል ይዝክሮም። ካልእ ኣማራጺ ግን ኣይነበሮን። “ዝዀነ ጥዕና ዘለዎ ሰብ ብፍቓዱ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣይከይድን እዩ። ናብ ኤርትራ ምምላስ ማለት ከኣ ማእሰርቲ ባህሊ ናብ ዝኾነ ሃገር ምምላስ እዩ፡” ይብል። ስለዚ፡ ሩዋንዳ መሪጹ። ይዅን እምበር ባህኣበሎም ኣብታ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ጽቡቕ ኣቀባብላ ኣይተገብረሉን። ገና እግሩ ኪጋሊ ምስ ረገጸ፡ ናብ ጎረቤት ሃገር ዩጋንዳ ክኸይድ ከም ዘለዎ ተነጊርዎ። ዝኽፈል ከፊሉ ከኣ ከደ። ካብ ሩዋንዳ ክወጽእ ዝገበረ መን ምዃኑ ብወግዒ ኣይፍለጥን። ንሱ ግን ኢድ ሰብ መዚ ሩዋንዳ ኣለዎ’ዩ ኢሉ ይኣምን። ብሪጣንያ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ሃገራ ዝኣተው ስደተኛታት ክትመልሶም ዘኽእላ ስምምዕ ምስ ፈረመት፡ ሩዋንዳ፡ ንስደተኛታት ውሕስቲ ሃገር እያ ዝብል ምጕት ሕቶታት ኣልዒሉ’ዩ። ሃገራት ምዕራብ፡ ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ብምልዓል ኣጠንቂቐን። ይዅን’ምበር፡ ኣብ መንጐ እቲ ብሪጣንያ ምስ ሩዋንዳ ዝበጽሓቶ ስምምዕን እስራኤል ዝገበረቶ ውዕልን ሰለስተ መሰረታዊ ፍልልያት ኣለውዎ። “ብፍቓድካ ምኻድ” ዝብል መደብ እስራኤል፡ ስደተኛታት ብፍቓዶም ናብ ሩዋንዳ ከም ዝኸዱ ዘመላኽት ኰይኑ፡ ብሩጣንያ ግን ኣገዲዳ እያ ክትመልሶም። ብተወሳኺ፡ ዘይከምቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብወግዒ ዝኣወጀቶ፡ እስራኤል ስደተኛታት ንምምላስ ምስ ሩዋንዳ ዝኣተወቶ ውዕል የብላን። እንተዀነ፡ ካብ 2013 ክሳብ 2018 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ቅድሚ እቲ ሚስጢራዊ ስምምዕ ወግዓዊ ምዃኑ፡ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ሓተትቲ ዕቑባ ካብ እስራኤል ናብ ሩዋንዳን ዩጋንዳን ተመሊሶም። ባህኣበሎም፡ ኣብ መስከረም 2014’ዩ ናብ ኪጋሊ ተሰዲዱ። \"ናብ ሩዋንዳ ምምላስና ግን [ንኤውሮጳ ካብ ምብጻሕ] ኣይዓገተናን። ኣብኡ’ውን ደው ኣይበልናን” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ ቢቢሲ ንሓያሎ ካብ እስራኤል ናብ ርዋንዳ ዝተላእኩ ናይ ቀደም ሓተቲ ዑቕባ ኣዘራሪቡ እዩ። ኵሎም፡ ኣብቲ ካብ 2014 ክሳብ 2016 ዝተገብረ ናብ ሩዋንዳ ናይ ምምላስ መደብ ዝኸዱ እዮም። መብዛሕትኦም ክኣ፡ ኣብ ኤውሮጳ ዑቕባ ሓቲቶም ይነብሩ ኣለው። ብተመሳሳሊ መገዲ ዝመጽአ ሓደ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝነብር ሰብ ከም ዘሎ’ውን ንፈልጥ ኢና። ካልኦት ብኽኢላታት ጉዳይ ስደተኛታት ቃለ-መጠይቕ ዝተገብረሎም ሰባት’ውን ተመሳሳሊ ዛንታ’ዮም ኣካፊሎም። መብዛሕትኦም፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኪጋሊ ጆን ዝተባህለ ውልቀሰብ ከም ዝተቐበሎም ይዛረቡ። እዚ፡ ንብዙሕ ዓመታት ዝተዘርበ ስለ ዝዀነ፡ እዚ “ጆን” ዝተባህለ ውልቀሰብ ክሳብ መወዳእታ ዝነበረ ድዩ ዝብል ምርግጋጽ ኣጸጋሚ እዩ። እቶም ስደተኛታት ግን፡ ናብታ ሃገር ምስ ኣተው ቅድሚ ናብ ዝዓርፍሉ ሆቴል ምዃዶም፡ ሰብመዚ ሩዋንዳ ኢና ዝበሉ ሰባት ወረቓቕቶም ከም ዘሕደጉዎም ይገልጹ። ድሕሪኡ፡ ናብ ዶብ ዩጋንዳ ንኸብጽሑዎም 500 ዶላር ክኸፍሉ ተሓቲቶም። እተን ናብ ርእሲ ከተማ ካምፓላ ዝወስዳኦም መካይን ኣብ ግዳም ክጽበያኦም ጸኒሐን። ስለዚ፡ ገንዘብ ክኸፍሉ ተሓቲቶም። ኣብ ሩዋንዳን ዩጋንዳን፡ ፍቓድ ስራሕ ወይ ካልእ ሰነዳትን ስለ ዘይነበሮም፡ ናብቲ ናብ ኤውሮጳ ንምብጻሕ ኣብ ኣፍሪቃ ፍሉጥ ዝዀነ ናይ ሞት ጉዕዞ ሜድትራንያን ክኣትው ተገዲዶም። ባህኣበሎም ኣብ ሩዋንዳ ክጸንሓሉ ዝኽእል ኣማራጺ ከም ዘይነበረ ይዛረብ። \"ክትከይድ ክፈል እንተ ተባሂልካ፡ ግድን’ዩ ዝተበሃልካዮ ትገብር” ይብል። ካልእ መብራህቶም ተስፋሚካኤል ዝተባህለ ሓታቲ ዑቕባ፡ እቶም ዝፍጸሙ ዝነበሩ ነገራት ኣመልኪቱ ን”ጆን”  ከም ዝተኻትዖ ይገልጽ። “ምስኡ ብውልቂ ኣዕሊለ’የ” ዝብል መብራህቶም፡ ኣብ እስራኤል መዳጎኒ ማእከል ሆሎት ንትሸዓተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ2014 ናብ ኪጋሊ ከም ዝኣተወ ይሕብር። እዚ ጆን ዝተባህለ ውልቀሰብ፡ “ካብዚ ክትወጽእ ኣለካ” ምስ በሎ “ንምንታይ? ካብ እስራኤል ክንወጽእ እንከለና ኣብ ሩዋንዳ መሰል ስደተኛታት ከም ዝወሃበና እዮም ነጊሮምና፡” ኢለዮ ንሱ ኸኣ፡ “ምናልባት ንሰለስተ መዓልቲ ጥራይ ክትጸንሑ ተፈቒዱልኩም ይኸውን፤ ድሕሪኡ ግን ክትወጽኡ ኣለኩም” ከም ዝበሎ ተዛሪቡ። ኣብ ወርሒ ለካቲት 2015 ናብ ሩዋንዳ ዝኣተወ ተስፋይ ጉዕሽ ብወገኑ፡ ሰብ መዚ ሩዋንዳን ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ሰባትን ብሓባር ይሰርሑ ነይሮም’ዮም ዝብል እምነት ኣለዎ። “ከም ኣፍሪቃዊ፡ ኣብ ሩዋንዳ ፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ክግበረለይን ዝሓሸ ክንክን ክረክብን ትጽቢት ነይሩኒ” ይብል። እንተዀነ፡ ኣካላት ጸጥታን ሲቪልን ብሓባር ክሰርሑ ስለ ዝርኣየ ውሕስነት ኣይተሰምዖን። “ኣብኡ ክንጸንሕ ኣይደለዩናን” ይብል። \"እንተደኣ ሓደ ሰብ ዶብ ክትሰግር ይተሓባበረካ ኣሎ፡ ብሕቡእ እዩ ዝገብሮ። ንሳቶም ግን፡ ብቓልዕ እዮም ዝገብርዎ ነይሮም። ንኣብነት፡ ናብ መፈተሺ ነቑጣታት ክንበጽሕ እንከለና፡ ነቶም ኣባላት ሓለዋ ሰነዳት የርእዩዎም’ሞ የሕልፉና። በዚ’የ እዞም ሰባት ተሓባቢሮም እዮም ዝሰርሑ ኢለ” ይብል። ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶኡ ዝሃበ መንግስቲ ሩዋንዳ፡ ብዛዕባ እዚ ክሲ ኣፍልጦ ከም ዘይብሉ ብምግላጽ ምጽራይ ከም ዝገብር ሓቢሩ። ወሃቢት ቃል መንግስቲ፡ “ሕግን ስነ ምግባራዊ መዐቀኒታትናን ጥሒሱ ዝተረኽበ ዝዀነ ኣካል ተሓታቲ ክኸውን’ዩ። መንግስቲ ግን ውሕስነት ህዝቡ፣ ናብ ሃገሩ ዝመጽኡ ሰባት ከምኡ’ውን ስደተኛታት ምርግጋጽ ቀዳምነት ሂቡ ዝሰርሓሉ ጉዳይ’ዩ” ኢላ። መገዲ ስደት ዕጫና ነልዕል ባህኣበሎም ብንእሽቶ ጃልባ ናብ ግሪኽ መጺኡ። ብመሬት ከኣ ናብ ስዊዘርላንድ ኣትዩ። ሕጂ ኣብ ዙሪክ ናይ መወዳእታ ናይ “ምልሓም ሓጺን” ፈተና ወሲዱ ብቝዕ ሰራሕተኛ ንክኸውን ይጽዕር ኣሎ። ንነብሱ ምስቶም ካብ እስራኤል ናብ ሩዋንዳ ዝተላእኩ ሰባት ከነጻጽራ እንከሎ፡ ድሕሪ ብዙሕ ኮለል፡ መከራን ድኻምን ናብ ኤውሮጳ ምእታው ከም ዕድለኛ እዩ ዝርእያ። \"ኣብ ሊብያ ብእስላማውያን ጥሩፋት 'ብዳዒሽ' ዝተሰየፉን ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉን ብውሕዱ 10 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝዀኑ ሰባት እፈልጥ እየ፡\" ይብል። ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ ኣብ ዝርከብ ማእከል መጽናዕቲ ስደተኛታት ዝሰርሕ ዶክተር ዮታም ጊድሮም ንውጽኢት ናይቲ ናይ እስራኤል ስደተኛታት ናይ ምምላስ ፕሮጀክት ኣብ ምክትታል ይሳተፍ ነይሩ ። ንሱ፡ እቲ ናብ ሩዋንዳ ናይ ምምላስ ወረ በቶም ናብ ኤውሮጳ ዘሰጋግሩ ደላሎ፡ ኣብቲ ማሕበረሰብ ይዝርጋሕ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ናብ ኤውሮጳ ብኮንትሮባንድ ናይ ምስግጋር መገዲ ልዑል ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ይገልጽ። \"እቲ ናይ ምምላስ ውጥናት፡ ሱዳናውያንን ኤርትራውያንን ስደተኛታት ኣብ ሩዋንዳ ወይ ዩጋንዳ ርጉእ መጻኢ ከም ዝህልዎም መሲሉ’ዩ ቀሪቡ” ይብል ። እንተኾነ እቲ እስራኤላውያን ሰበስልጣን፡ ኣብ ሩዋንዳ ንስደተኛታት ብዛዕባ ዝወሃብ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድን መሰልን ዝዘርግሑዎን ወረን መብጽዓን ጭቡጥ ኣይነበረን። እቲ ናብ ሩዋንዳ ናይ ምምላስ ውጥን፡ ነቶም ኣብ እስራኤል መጻኢኦም ክርእዩ ዘይከኣሉ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ካልእ ሃገር ኣፍሪቃ ወይ ናብ ኤውሮጳ መገዲ ከም ዝኸፍት ዕድል ኮይኑ ተወሲዱ። ብዛዕባ ስደትን ጉዕዞ ስደትን ዝመራመሩ ክኢላታት፡ ንስደተኛታት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ምጥራዝ፡ ነቶም ግዳያት ንዝያዳ ሓደጋ ምዝውዋር ሰባት ከም ዘቃልዕ ከጠንቅቑ ጸኒሖም ኣለው። ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዳይሬክተር ጉዳይ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ስቲቭ ስሞንድስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ \"ዑቕባ ንዝሓተቱ ሰባት ናብ ዘይፈልጥወንን ምንም ርክብ ናብ ዘይብሎም ሃገራት ምስጓጕ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ ክብል ተዛሪቡ። መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብዚ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ናይ ፈተነ ፕሮጀክቱ፡ ንገለ ስደተኛታት ሕቶ ዑቕባኦም ኣብ ሩዋንዳ ንኽረአ ናብታ ሃገር ክሰዶም እዩ። መንግስቲ ሩዋንዳ፡ እቲ ምስ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተገብረ ስምምዕ ካብቲ ናይ እስራኤል ዘይሰርሐ ፕሮጀክት ዝተፈልየን ንጹርን ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። \"[እዚ ሕጂ ብሓዲሽ መርሓ ግብሪ] ንስደተኛታት ብዅሉ መዳያት ክሕገዙን ምስቲ ማሕበረሰብ ክወሃሃዱን ዝተማልአ ሓገዝ ዝህብ ውጥን እዩ” ከኣ ይብሎ። እዚ ሓገዝ ጽቡቕ መንበሪ ገዛ፡ ሕጋዊ ምኽሪ፡ ኣገልግሎት ትርጕም፡ ስልጠና ቋንቋ፡ ከምኡ ‘ውን ደገፍ ጥዕና ኣእምሮ ዘጠቓልል ዝተማልአ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ኣሎዎ ከኣ ይብል። ብተወሳኺ መንግስቲ ሩዋንዳ፡ \"ነቶም ሓደስቲ ምጻእ ምስቶም ድሮ ኣብ ሩዋንዳ ሓድሽ ህይወት ዝመስረቱ ሰባት ዝላለይሉ ዕድል ክፍጠር እዩ። [እቶም መነባብሮም ዝተረጋግአ ሰባት] ዋላ ሓደ ኣካል ፕሮግራም እስራኤል የብሎምን\" እውን ይብል። ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ንትግባረ እቲ መደብ ብደቂቕ ከም ዝከታተሎ ሓቢሩ። ሓደ ወሃብ ቃል ንቢቢሲ. ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ \"ምስቲ ኣብ ዓለም ፍሉጥን ፈጠራውን ናይ ስደት መሻርኽትና መንግስቲ ሩዋንዳ፡ እቶም ሓደገኛ ጕዕዞ ስደት ዘካይዱ ሰባት ንሩዋንዳ ተመሊሶም ሓድሽ ህይወት ንኽሃንጹ ንምሕጋዝ ብናይ ሓባር ኮሚተ ምክትታል ክግበረሉ እዩ፡” ኢሉ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cye9wp49jweo"} {"headline":"50 ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ክኸዱ ምዃኖም ከምዝተነግሮም ቦሪስ ጆንሰን ገሊጹ","content":"ኣብ ብሪጣንያ 50 ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ክኸዱ ምዃኖም ከምዝተነገሮም ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ቦሪስ ጆንሰን ገሊጹ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ጋዜጣ ደይሊ መይል ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ መንግስቲ፡ ከቢድ ሕጋዊ ተቓውሞ ከጋጥሞ ከምዝኽእልን ክቃለሶ ምዃኑን ኣረዲኡ። ምልኣኽ እቶም ስደተኛታት ኣካል ናይቲ ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ ውጥን ዳግመ ምጥያስ መንግስቲ ብሪጣንያ እዩ። ብመሰረት እቲ ኣብ መንጎ መንግስታት ብሪጣንያን ርዋንዳን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ብሪጣንያ ኣትዮም ዝተብሃሉ ሰባት ሕቶ ዑቕባኦም ንምርኣይ ናብ ርዋንዳ ክለኣኹ እዮም። እቲ ፖሊሲ ሓያል ተቓውሞ ኣለዓዒሉ እዩ። ካብ መንጎ እቶም ነቲ ፖሊሲ ዝነቕፍዎ 160 ትካላት ግብረሰናይ፡ ሊቀ-ጳጳሳት ካንተርበሪ፡ ተቓወምቲ ሰልፍታትን ቀዳመይቲ ሚኒስተር ነበር ተረዛ መይ እትርከቦም ገለ ኣባላት ዓቃባዊ ሰልፍን ይርከብዎም። ንሳቶም ብሓባር ብምዃን ናይ ስነ-ምግባር፡ ሕጋውነት፡ ገንዘባዊ ወጻእን ውጽኢታውነት እቲ ፖሊሲን ዝምልከት ሕቶታት ኣልዒሎም ኣለው። ድሮ ብዙሓት ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ከይለኣኹ ብምስጋእ ክሕብኡ ከምዝጀመሩ ትካላት ረድኤት ሓቢረን። ብዘይካ'ዚ ገሊኦም ኣብ ገዛእ ርእሶም ጉድኣት ንምፍጻም ይድርኾም ከምዘሎ ክግለጽ እንከሎ፣ ሓደ ስደተኛ ርእሰ ቅትለት ንምፍጻም ከምዝፈተነ ማሕበራት ቀይሕ መስቀልን 'ረፊዩጂ ካውንስልን' ሓቢሮም። ብመትረብ እንግሊዝ ብነኣሽቱ ጀላቡ ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝግበር ፈተነታት ቀጺሉ ኣሎ። ካብ 2-8 ግንቦት ኣብ ዝነበረ ሰሙን ኣስታት 792 ስደተኛታት ከምዝሰገሩ መንግስታዊ ጸብጻባት የርእይ። ቤትጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ፡ ኣብ መጀመርታ ናይ'ዚ ሰሙን፡ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ጉጅለ ናብ ርዋንዳ ዝለኣኹ ሰባት ክነግር ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ። ገለ ካብኣቶም ብመትረብ እንግሊዝ ዝሰገሩ ከምዝኾኑ እቲ ቤትጽሕፈት ገሊጹ። ቀዳማይ ሚኒስተር ጆንሰን፡ እቶም 50 ሰባት ከምዝተነገሮም ገሊጹ። እቶም ሰባት ተቓውሞታቶም ንከቕርቡ ካብ ሸውዓተ ክሳዕ 14 መዓልቲ ኣለዎም። እቲ ውጥን ሕጋዊ ተቓውሞ ከጋጥሞ ትጽቢት ይግበር። ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ እቲ ተቓውሞ ነቲ መስርሕ ከጓትቶ እምበር ደው ከብሎ ከምዘይኽእል ተዛሪባ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61447779"} {"headline":"ኣሕዋተይ ኣብ ባሕሪ ክጥሕሉ ብዓይነይ ርእየ': ሚስ ግራንድ ኢንተርናሽናል ሰላማዊት ተኽላይ","content":"ሰላማዊት ተኽላይ፡ ብውድድር ፅባቐ  ኣብ ብዙሓት ዓለምለኻውን ሃገራውን ውድድራት ዝተወዳደረትን ብዙሓት ሽልማታት ዝረኸበትን ትግራወይቲ እያ። ሚስ ግራንድ ኢንተርናሽናል፣ ሚስ ኢትዮጵያ፣ ሚስ ቨርጅን፣ ሚስ ሓምለዋይ ልምዓትን ድማ ካብ ሞንጎ ዝተሳተፈትሎም ውድድራት ጽባቐ እዮም። ኣብ ኩለን ኣብ መድረኽ ጽባቐ ዝተወዳደረትለን ሃገራት ቬትናም፣ ደቡብ ኮርያን ቻይናን፡ ባህልን ፀጋን ዓዳ ኣላልያን ስምን ባንዴራን ሃገራ ኣበሪኻን እያ። እዚ ኩሉ ዓወታታ ግና ቅድሚ እቲ ጫፍ ሞት ዝረኣየትሉን ንስለ ካብ ሞት ዝወፅኣትሉን ጉዕዞ ስደት ምጅማራ እዩ። እቲ እተፍቅሮን ኣብ ብዙሕ ሃገራት ዝደመቐትሉን ሞያኣ ሞዴሊንግን ዲዛይንን እንደገና ክትነብሮ እትብህጎ ምዕራፍ ሂወታ እዩ። ሰላማዊት፡ፓስፖርት ሃገራ ምስ ክብረቱ እናርኣየት ካብን ናብን ትወናጨፈሉ ዝነበረት ሰማያት ራሕሪሓ ብስግኣትን ፍርሕን ኣብ ‘ዓዲ ጓና’ ኣብ ስደት “ሀ” ኢላ ናብራ ክትጅምር ተገዲዳ ኣላ። እዛ ዓለማዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ሽልማትን ክብርን ዘለዋ ሞዴል ሰላማዊት ስለ ምንታይ እያ ክትስደድ ተገዲዳ? ዝብል ሕቶ ምልዓሉ ዘይተርፍ እዩ እሞ፡ እቲ መልሲ ኣብ ዛንታኣ ክንረኽቦ ኢና። - - - - - - -- - - - - - -- - - - - - -- - - - - - -- - - - - - -- - - - - - -- - - - - - -- - - - - - -- - - - - - -- - ሰላማዊት ተኽላይ እበሃል፤ ሕሰምን ጫፍ ሞትን ርእየ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ተሰዲደ እነብር ኣለኹ። ካብ ትግራይ ክሳብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝበፃሕክሉ ጉዕዞ ስደት ግና ቀሊል ኣይነበረን። ንክስደድ ዝደረኸኒ፡ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት እዩ። ቅድሚኡ ስደት ንሓደ መዓልቲ’ውን ሓሲበዮ ኣይፈልጥን። ኣብ ከተማ መቐለ ተወሊደ ዓብየ። ኣብኡ እውን ተማሂረ። ሞዴል፣ ተዋሳኢትን ዲዛይነርን እየ። ኮምፒዩተር ሳይንስ እየ ኣፅኒዐ። እንተኾነ ናብቲ ኣብ ንእስነተይ ዝሸወተ ሕልሚ ሞዴልነት እየ ኣዘምቢለ። ኣብ ገዛና ኣነ ጥራየ’የ ጓል ኣንስተይቲ፤ ሰለስቲኦም ኣሕዋተይ፡ ኣወዳት’ዮም። ካብ ቁልዕነተይ  ዲዛይነር ክኸውን እሓልም ነይረ። ባዕለይ ዝመርፆም ዓይነታት ክዳውንትን ቅድታታትን መሪፀ  ብምስራሕ እኽደን ነይረ። ፋሽን ስለዝስሕበኒ ናይ ኣደይ ክዳውንትን ነዋሕቲ ጫማታትን ክገብር እዝክረኒ። ገና ጓል 16 ዓመት እናሃለኹ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተሰናደአ ውድድር ፅባቐ ‘ወይዘሪት ድንግል መቐለ’ ተወዳዲረ። ልዕሊ እቲ ዝረኸብክዎ ውፅኢት፡ ግና እቲ ዝቐሰምክዎ ልምዲ’ዩ ባህታ ሂቡኒ። ብድሕሪኡ ኣብ ውድድር ‘ወይዘሪት ሓምለዋይ ልምዓት’ን ‘ወይዘሪት ሃይስኩል’ን ተሳቲፈ ብፅቡቕ ደረጃ ወፂአ። ከምኡ እናበልኩ ናይ ሞዴሊንግ ስራሕ ቀፂለዮ። ከም ዳይና ሞዴላትን ኣሰልጣኒትን ኮይነ እውን ሰሪሐ። ስድራይ ኣብ ክንዲ ኣብ ሞዴሊንግ ኣብ ትምህርተይ ከተኩር እዮም ዝደልዩ ነይሮም። እንተኾነ፡ እቲ ንውሽጠይ ዝገዝአ ሕልሚ ሞዴሊንግ ስዒሩኒ። ካብ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ፡ ኣብ ዝዓበየ ሃገራዊ ውድድር ፅባቐ ‘ሚስ ዎርልድ ኢትዮጵያ’  ተወዳዲረ። ቀፂለ፡ ኣብ ውድድር ፅባቐ ‘ሚስ ግራንድ ኢንተርናሽናል’ ብምውድዳር ተዓዊተ። ብ 2017 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ከኣ፡ ንኢትዮጵያ፡ ኣብ መድረኽ ፅባቐ ዓለም ብምውካል፡ ንፈለማ ግዘ ኣብ ቬትናም ኣብ ዓለምለኸ ውድድር ፅባቐ ተወዳዲረ። ‘ሚስ ግራንድ ኢንተርናሽናል’ ቬትናም ኣብ ቬትናም ዝተኻየደ ውድድር ቁንጅና፡ ‘ሚስ ግራንድ ኢንተርናሽናል’ ኣብ ዓለምና ካብ ዘለዉ ሰለስተ ዓበይቲ ውድድራት ፅባቐ ሓደ ኮይኑ፡ ወይዘራዝር ናይ ልዕሊ 77 ሃገራት ተሳቲፈናሉ እየን። ኣብቲ ውድድር ካብቶም ላዕለዎት ሽልማታት ረኺበ፤ ብዓብይኡ ድማ ካልኦት ዕድላት ዝኸፈተለይ መድረኽ ፅባቐ’ዩ። እዚ ፈላሚ ዓለምለኻዊ ውድድር፡ ንፈለማ እዋን ካብ ስድራይ ደገፍ ዝረኸብኩሉን ብባዕለይን ብድሌተይን ዝተሓጎስኩሉን ውድድር ነይሩ። ብድሕሪኡ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝተኻየደ ‘ቢዩቲ ኤንድ ታለንት’ ኣብ ዝብል ካልእ ዓለማዊ ውድድር ፅባቐ ብምክፋል ስም ኢትዮጵያ ኣፀዊዐ። ኣብ ቻይና ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ቁንጅናን ፍሉይ ክእለትን’ውን ተሳቲፈ እየ። እዚ ደማዊ ኵናት ኣብ ትግራይ ቅድሚ ምውልዑ’የ፡ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናብ ከተማ መቐለ ተመሊሰ፡ ናይ ባዕለይ መሸጢ ጥበብ ቅዲ ባህላውን ዘበናውን ዓለባ ከፊተ ክሰርሕ ጀሚረ። ሻቡ ኣብ መቐለ ንጡፍ ምንቅስቓስ ንግዲ ስለ ዝነበረ፡ ፅቡቕ እሰርሕ ነይረ። እንከይሓሰብናዮ ግና፡ ኣብ ትግራይ ህይወት ብዙሓት ዝቐዘፈ ኵናት ተወሊዑ። ብጣዕሚ ዝኸፍአ ንምፅዋዩ ዘፀግም ኵናት ኣሎ። እዚ ኵናት እንትውላዕ ኣብ መቐለ እየ ነይረ። ብሰንኪ እዚ ኵናት፡ ኣብ ትግራይ ጥሜት፣ ፆታዊ ዓመፅ፣ ኮታስ ብቃላት ዘይግለፅ መከራ ስዒቡ። ብሰንኪ እዚ ኵናት ብዙሕ ነገር ኢና ስኢንና፡ ሕልምና ተጨውዩ’ዩ። ኣብ ኩሉ ትግራዋይ ዘጋጠመ ምፍንቓል፣ ሓዘንን ምጉስቛልን ኣብ ስድራይን ኣባይን’ውን  ኣጋጢሙ። ከም ዕድል ኮይኑ ከምተን ዝተዓመፃ ተጋሩ ኣሓተይ ኣይተዓመፅኩን፡ ብስነልቦና ግና ተጠቒዐ እየ። ሂወትና ኩሉ ተቐይሩ። ኣብ ትግራይ ክፀንሕ ዘኽእል ኩነታት ኣይነበረን። ብልፅግና ናብ መቐለ ምስ ኣተወ፡ በረራታት ስለዝነበረ ናብ ኣዲስ ኣበባ ወፂአ። ተስፋ ግና ኣይቆረፅኩን። ኩሉ ነገር ናብ ሰላም ክምለስ እዩ ዝብል ተስፋ ነይሩኒ።  ከም ተስፋይ ሰላም ኣይሰፈነን። እኳድኣስ እቲ ናብ መቐለ ዝነበረ በረራ ተቛሪፁ። ሻቡ ተስፋ ስኢነ፡ ኣብ ዓደይ ክነብር ስለዘይኸኣልኩ ናብ ስደት ነቒለ። ናብዚ ሕዚ ዘለኹላ ዓባይ ብሪጣንያ ንምብፃሕ ዝተኸፈለ መስዋእቲ ስደት ከምተውግዖ ቀሊል ኣይነበረን። ብሰንኪ እዚ ኵናት ዝስደድ ዘሎ ትግራዋይ መከርኡ ይርኢ ከምዘሎ ኣብ ጉዕዞይ ብዓይነይ ዝረኣኽዎ መሪር ሓቂ’ዩ። ክንደይ መከራን ፀገምን ኣብ ዝባንና ተዳዕኒኑና ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ፎቖዶ መገድን ባሕርን ሂወት ክንከፍል’ውን ተገዲድና። ካብ ፈረንሳይ ናብ ብሪጣንያ ንኽኣቱ፡ ኣብ በረኻ፡ ከምኡ’ውን ብባሕሪ እንትንጓዓዝ፡ ብጣዕሚ ከቢድን መፍርሒ ዝኾነን ግዘ እየ ኣሕሊፈ። ካብ ምኽባዱ ዝተላዕለ ኣብ ቻነል ኢንግሊዝ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ዝተረፉ ኣሕዋተይ፡ ብዓይነይ ርእየ፡ ንባዕለይ’ውን ውፃእ መዓት እየ። ካብ ፈረንሳይ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ንምሕላፍ ዘሎ ናይ ፈተነ ግዘ ኣብ በረኻ ደቂስካ ኢኻ ተሕልፎ። ኣብቲ በረኻ ከቢድ ቁሪ ኣሎ፣ ዝብላዕ ምግቢ ኮነ ዝስተ ማይ ምርካብ ኣይከኣልን፤ ስቓይ እዩ….. ዘይውዳእ ስቓይ! ኣብቲ በረኻ፡ ንልዕሊ ክልተ ወይ ሰለስተ ወርሒ ኣብኡ እናሓደሩን፡ ከርተት እናበሉን ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ክሰግሩ ዕድሎም ዝፍትኑ ካበይ መፂኦም ዘይትብልዮም ብዙሓት ተጋሩ ረኺበ። ወርሒ ሕዳር 2021 ኣብ ሂወተይ ዘይርስዓ ወርሒ እያ! ካብ ፈረንሳይ ብባሕሪ ናብ ብሪጣንያ ዘስጉርና ደለልቲ ረኺብና። እቶም ኣስገርቲ ካብ ፖሊስ ንምህዳም ብለይቲ’ዮም ስደተኛታት ዘግዕዙ። ብጃምላ፡ ስደተኛታት ፅዒነን ንቻነል ኢንግሊዝ ኣቋሪፀን ዝሰግራ ብደለልቲ ዝምረሓ ጃላቡ ተዳልየን ነይረን። ኣብ ፈላማይ ዙር፡ ምሳይ ዝነበሩ ደቂ ዓደይ ንምስጋር እንፍትኑ እታ ጃልባ ጥሒላ፤ ግና ኣምላኽ ይመስገን ሰራሕተኛታት ሂወት ኣድሕን ኣድሒኖምዎም። ዘይተበገስና ሰባት ነቲ ወረ ምስ ሰማዕናዮ ኣዚና ሰምቢድና። ግና ናብቲ ዘንቀድናሉ ካብ ምኻድ ዘትርፍ ካልእ ኣማራፂ ኣይነበረናን። ንሕና እውን ካልእ መዓልቲ ተበጊስና። እቲ ዝተበገስናሉ ወቕቲ ክቱር ቁሪ ስለዝነበረ፡ እቲ ባሕሪ ከቢድን ሓደገኛን ነይሩ። ናብታ ተስግረና ጃልባ ብጃምላ ኣቲና።  ዘይሕጋዊ ጉዕዞ ስለዝኾነ፡ ብዝሕና ክንድዚ ነይርና ክብል ኣይክእልን። እቶም ደለልቲ ዝበሉና ጥራሕ ኢና ንገብር። ናብታ ሂወትና ክነውሕሰላ ዝሓሰብናያ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ጉዕዞ ጀሚርና…..! ጉዕዞና ግና ብፀልማት ዝግበር ጉዕዞ ጥራይ ኣይነበረን…..ደልሃመት ሞት ዝዓሰሎ ኮይኑ ረኺበዮ። ሃንደበት ናይታ ንጓዓዘላ ዝነበርና ጃልባ ሞተር ናብ ባሕሪ ስለዝወደቐ ኣብቲ ባሕሪ ተንሳፊፍና። ሓደ ምሳና ዝነበረ ዓረብ፡ “ነቲ ሞተር ከውፅእ” ኢሉ ናብቲ ባሕሪ ኣትዩ። እቲ ባሕሪ ቁሪ ስለዝነበረ ግና ዋላ እቲ ኣነ ኪኢላ ሓምባሲ እየ ዝብል ዝኽእሎ ኣይነበረን። ምኽኣል ምስ ሰኣነ ሓደ ምሳና ዝነበረ ትግራዋይ ሓውና ክሕግዞ ኢሉ ናብቲ ባሕሪ ኣትዩ። ግና ኣይተመለሰናን። ኣሊሽና፡ ኣሊሽና ኣይረኸብናዮን። ርድኡና ኢልና ደዊልና፡ ግና እቶም ሂወት ኣድሕን ድሕሪ ሰለስተ ሰዓት’ዮም መፂኦሙና። እቲ ሓውና ብዓይነይ እናረኣኹዎ ኣብኡ ጠሊቑ ተሪፉ! ንሞት ብዓይነይ ርእየዮ፡ እህህህ….!!! ኣብታ ህሞት ንሳ፡ እቲ ዝወሰንክዎ ውሳነ ጌጋ ምዃኑ ተረዲአ። ኣብ ህይወተይ እቲ ዝኸበደ ግዘ’ዩ። ኣነን ካልኦትናን ውፃእ መዓት ኮይንና ደዊልና ርድኡና ኢልና፡ ንፖሊስ ኢድና ሂብና። ንሕና ምስ ኣተና ድሕሪ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ መዓልቲ እቶም ኣብ ፈረንሳይ ዝተረፉ ሳልሳይ ዙር ስደተኛታት ተበጊሶም። ፅቡቕ ዜና ኣይሰማዕናን፡ ኣብ ቻነል ኢንግሊዝ ጥሒሎም። ካብቶም ዝሞቱ እተን ክልተ ደቂ ዓደይ ተጋሩ እየን። ብፍላይ እታ ሓንቲ  ኣፀቢቐ ዝፈልጣ ጓል መቐለ እያ። ብዙሓት ዝፈልጦም ሰባት ካብ ጃልባ ናብ ባሕሪ ወዲቖም ጥሒሎም ተሪፎም። ኣብ ህይወተይ ናይ መወዳእታ ተስፋ ዝቖረፅኩሉን፡ ተጋሩ እንታይ ኢና ገይርና ኢለ ዘምረርክሉን ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ግዘ  ኣሕሊፈ። ወለደይ ብኸምዚ መገዲ ናብዚ ዓዲ ከምዝመፃእኹ ኣይፈልጡን። ካብቲ ኣብ ዓደይ ዘሕለፍክዎ መከራ ኣይገድድን’ዩ፡ ካብዚ ዝኸፍአ ርእየ እየ ብምባል ጀሚረዮ’ምበር፡ እዚ ጉዕዞ ማንም ሰብ ክፍትኖን ክርእዮን ዘይግባእ ሓደገኛ መገዲ እዩ። ኣብ ዓዲ ዘሰካሕክሑ ነገራት ርኢና ምምፃእና፡ ናብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ክንኣቱ ምኽንያት ዝኾነ እመስለኒ። ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ጠቕሊለ ምስ ኣተኹ፡ እቲ ዝሓለፈ ክሓስቦ ከለኹ፡ ንዝሓለፈ ኣይትመልሶን ኢኻ እምበር፡ ኣብ ትግራይ ምስ ስድራይ ኣብኡ እንተዝዕፆ ምመረፅኩ። እንተገደደ ኩሉ ነገር ምስ ቤተሰበይ ኮይነ ምረኣኹዎ። ምስቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሕሰም ግድን  ክመፅእ ነይሩኒ ኢለ ምስ ዝሓስብ ድማ፡ ነዚ ሕዚ ዘለኽዎ ሂወት ኢለስ፡ እዚ ኩሉ መከራን ጫፍ ሞትን ምርኣይ ይግበአኒ’ዶ? ኢለ እሓስብ እሞ፡ ብጣዕሚ እስመዓኒ፡ ዝሓለፍክዎ ኩሉ መሊሱ የሰምብደኒ። ሕዚ ዑቕባ ሓቲተ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እየ ዘለኹ። መጀመርታ ኣብ ሆቴል እዮም ተቐቢሎምና። ሕዚ ድማ ናይ ሓባር ገዛ ሂቦምኒ ኣለዉ። ጉዳየይ ክሳብ ዝረአ ስራሕ ክሰርሕ ኣይኽእልን፡ ካብዚ ዓዲ ወፃኢ ክንቀሳቐስ’ውን ኣይፍቀደለይን። ብሰንኪ እዚ ኵናት ብዙሕ ትግራዋይ ከምዝተሰደተ ተዓዚበ። ሂወት ከም ብሓድሽ “ሀ” ኢለ ጀሚረ ኣለኹ። ኣብዚ እዋን መንግስቲ ብሪጣንያ ንስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ናይ ምስጓግ ትልሚ ኣውፂኡ ኣሎ። እዚ ኩሉ ኣብዚ ዘሎ ስደተኛ ናይ ህይወት ውሕስነት ክረክብን ዝሓሸ ናብራን ደልዩን ክንደይ መስዋእቲ ከፊሉ’ዩ መፂኡ። እዚ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ናይ ምምላስ ውሳነ ግጉይን መሕዘኒን ውሳነ እዩ፤ ምኽንያቱ እቲ መገዲ እንታይ ከም ዝመስል ርእየዮ እየ። ካብ ዝፈትዎም ስድራይን ህዝበይን ተፈልየ ናብ ስደት ክሳብ ዘምራሕኩላ እዋን፡ ብውድድር ፅባቐ፣ ዲዛይኒንግ፣ ናይ ደርፊ ክሊፓትን ተዋስኦን ሰሪሐ እየ። ኣብ ከተማ መቐለ’ውን፡ ባህላውን ዘበናውን ዓለባ ዲዛይን ጌይረ ዝሸጠሉ ናይ ባዕለይ ትካል ንግዲ ነይሩኒ።  ድሕሪ እዚ ኩሉ፡ ሕዚ ንርእሰይ ኣብ ስደት ክረኽቦ ከለኹ ግና ፅቡቕ ኣይሰመዓንን። ተገዲደ እምበር፡ ሓደ መዓልቲ ካብ ዓደይ ወፅየ ክነብር’የ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን። ድሌት’ውን ኣይነበረንን። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ እዩ ብስራሕ ንወፃኢ ሃገር ምስ ገሽኩ ስረሐይ ወዲአ ናብ ዓደይ ዝምለስ። ኩሉ ነገር ዘይተለምክዎ’ዩ፡ ኩሉ ነገር ድራማ ኮይኑ’ዩ ዝስመዓኒ። ኣብዚ ሰዓት እዚ ኮይነ ንፅባሕ ዝምነዮ ነገር እንተልዩ ሰላም ጥራሕ እዩ። ሰላም እምነ፡ ኣብዚ ሰዓት ሰላም ዝበሃል ነገር ስኢነ ኣለኹ። ውሽጠይ  ፅቡቕ የለኹን። ሰላም እብህግ…. ሰላም እንተልዩ ኩሉ ነገር ኣሎ። ሰላም እንተልዩ ኩሉ ነገር ክስተኻኸል ይኽእል እዩ። ኣምላኽ ሰላም ገይርዎ ኩሉ ነገር ክስተኻኸል እምነ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c0vww4evlnno"} {"headline":"ርዋንዳ ኣብ \"ንግዲ ደቂ-ሰባት\" ትሳተፍ የላን ክብል ፕረዚደንት ፖል ካጋመ ገሊጹ","content":"ፕረዚደንት ርዋንዳ ፖል ካጋመ፡ ሃገሩ ሓተትቲ ዑቕባ ምቕባላ \"ንግዲ ደቂ-ሰባት\" ከምዘይኮነ ገሊጹ። ርዋንዳ፡ ኣፈናዊ 150 ሚልዮን ዶላር ተዋሂብዋ ሓተትቲ ዑቕባ ስደተኛታት ካብ ብሪጣንያ ክትቅበል ምስምማዓ ሓያል ነቐፌታ ኣስዒቡላ ይርከብ። ካጋመ ግን ሃገሩ ስደተኛታት ንምሕጋዝ 'ምበር ንረብሓ ከምዘይኮነት ንኣመሪካዊ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝሃቦ ናይ ማንዛ ሰሚናር ተዛሪቡ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሪጣንያን ርዋንዳን፡ ነምቶ ዑቕባ ንምርካብ ናብ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ንምስግጋር ውግዓዊ ስምምዕ ምፍራመን ይዝከር። እቲ ስምምዕ ኣብ ዝተፈረመሉ እዋን፡ ኣብ ሃገራት ኮንጎ-ብራዛቪል፡ ጀማይካን ባርባዶስን ዑደት ዘካይድ ዝነበረ ካጋመ፡ ገንዘብ ንምርካብ ስደተኛታት ትቕበል ኣላ ኢልካ ምሕሳብ ጌጋ ምዃኑ ገሊጹ። \"በጃኹም፡ ኣብ ንግዲ ደቂ-ሰባት ኣይተዋፈርናን፡ እኳድኣስ ንሕግዝ ኢና ዘለና\" ክብል መጒቱ። \"ነቲ ናይ ሊብያ ኣተሓሕዛና\" ዝተዓዘበት ብሪጣንያ ባዕላ ከምዝተወከሰቶም ድማ እቲ ፕረዚደንት ጠቒሱ። ኣብ 2018፡ ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ነቶም ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ወዲቖም ዝነበሩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ክቕበል ድልዉ ምዃኑ ብዝኣተዎ ቃል መሰረት ነቲ ስምምዕ ከምዝፈረሙ ድማ ይዛረብ። ርዋንዳ ክሳብ ሎሚ ኣስታት 1000 ስደተኛታት ከምዝተቐበለትን፡ ክልተ ሲሶ ካብኦም፡ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣውሮጳን ካናዳን ክሰጋገሩ ከምዝኸኣሉን ይግለጽ። እቲ ውጥን ንብሪጣንያ ይኹ ንካልኦት \"ናይ ስደተኛታት ጸገም ዘለወን\" ሃገራት ኣውሮጳ ዕዉት መስርሕ'ዩ ይብል ፕረዚደንት ካጋመ። ርዋንዳ፡ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንምግታእ ዝሓለነት ምዃና ብምግላጽ፡ ብሪጣንያ \"ስሩዕ ኣተኣላልያ ናይቶም እትቕበሎም ሰባት ብምፍጣር ንገሊኦም ከኣ ትነጽጎም\" ኢሉ። መንግስቲ ዴንማርክ ልክዕ ከምቲ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ሓተትቲ ዑቐባ ጉዳዮም ኣብ ርዋንዳ ኮይኑ ክርአ ምስ መንግስቲ ርዋንዳ ዝርርብ ምጅማሩ ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ስደተኛታት ናብ ዴንማርክ ከይኣትዉ ንምክልኻል ተርርቲ ፖሊሲታት ከተኣታቱ ምጽንሑ ይፍለጥ። ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ካልእ መሻርኽቲ ሃገር ማእከል ሓተቲ ዑቕባ ብምኽፋት ጉዳዮም ኣብኡ ኮይኑ ክርአ ዝብል ሕጊ ምጽዳቓ ዝዝከር እዩ። ሓያል ተቓውሞን ነቐፌታን ዝገጠሞ ውጥናት ኣብቲ እዋን እቲ ብመንግስቲ ዴንማርክ ዝጸደቐ ሕጊ፡ ብትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብሕቡራት ሃገራትን ብኮምሽን ሕብረት ኣውሮጳን ተሪር ነቀፌታ ገጢምዎ ነይሩ እዩ። ኣብ ብሪጣንያ'ውን ልዕሊ 160 ዝኾና ማሕበራት ተሓለቕቲ መሰላት ነቲ \"ጨካን\" ዝበልኦ ውጥን ምስግጋር ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ብምቅዋም፡ መንግስቲ ዳግማይ ክሓስበሉን ክስርዞን ይጽውዓ ኣለዋ። መራሒ ብሪጣንያዊት ኣንግሊካን ቤተ-ክርስትያን ሊቀ-ጳጳስ ጃስቲን ወልቢ፡ ብኣጋጣሚ በዓለ ትንሳኤ (ኤውሮጳ) ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ውጥን \"ዓቢ ሞራላዊ ሕቶታት\" ዘለዓዕል'ዩ ክብሉ ነቒፎሞ። እቲ ስጉምቲ \"ካብ ሓላፍነትና ዘጉድል'ዩ\" ብምባል፡ \"ኣብ ፍርዲ ኣምላኽ ዝቐውም\" ኣይኮነን ኢሎም። ተቓወምቲ ሰልፍታትን፡ ገለ ኣባላት ባይቶ ገዛኢ ሰልፊ ዓቃባውያንን'ውን ነዚ ውጥን ዘለዎም ተቓውሞታት ይገልጹ ኣለዉ። እዞም ነቐፍቲ፡ ካብቲ ዘቕርብዎ ዘለው ምኽንያታት ሓደ፡ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ርዋንዳ ኰይኑ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብብሪጣንያ ከይተረፈ ተላዒሉ ዝነበረ፡ ኣብታ ሃገር ዝፍጸም፡ ዘይሕጋዊ ቅትለት፡ ምስዋርን ምስቓይን ሰባት ከም መከራኸሪ የቐምጡ። ነቲ ፖሊሲ ዝሃንደሰትን ትምርሕ ዘላን ጸሓፊት ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ፕሪቲ ፓተል ግን፡ እቶም ብመንግስቲ ወጺኡ ንዘሎ ውጥን ምስዳድ ስደተኛታት ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ዝነቕፉ ዘለው፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ዝሓሸ መፍትሒ ከቕርቡ ከምዘይከኣሉ ተመሊሳ ትወቅስ። ንሳ፡ ኣብቲ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ርዋንዳ ብሓባር ኣብ መጽሔት 'ዘ-ታይምስ' ኣብ ዝጸሓፈቶ ዓንቀጽ፡ እዚ ቀሪቡ ዘሎ ውጥን፡ ነቲ ቀታሊ ዝዀነ ንግዲ ምስግጋር ደቂሰብ ክገትእ ዝኽእል ውሕሉል ፍታሕ ምዃኑ ትምጕት። ዝዀነት ኣብ ሰብኣውነት እትግደስ ሃገር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ስቓይ ደቂሰብ እናረኣየት ክቕጽል ኣይትፈቅድን እያ ድማ ይብሉ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳውዝ ባንክ ለንደን ዳይረክተር ማእከል መጽናዕቲ ስደተኛታት ንዝኾነ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ነዚ ውሳነ ክወስድ ዘገደዶ ቑጽሪ ናብታ ሃገር ዝኣትው ስደተኛታት ይወስኽ ብበል እንተኾነ ካልኦት ውሽጣዊ ሕንፍሽፍሻት ዘንቀልዎ ክኸውን ከም ዝኽእል'ዩ ዘርህ። \"ብዓቢኡ ድማ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ግዜ ዕጽዋ ሕጊ ኮቪድ ብምጥሓሱ ዝተበየነሉ መቕጻዕትን ካብ ስልጣኑ ንክወርድ ዝበጽሖ ዘሎ ጸቕጥን ንምርስሳዕ ይጥቀመሉ ኣሎ\" ክብል ይነቅፍ። ንስደተኛታት ሓተትቲ ዕቑባን ኣብ ዝሕግዝ ብሪስቶል ሆስቲሊቲ ኔትዎርክ እትሰርሕ ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት ተቐማጢት ዓዲ ኢንግሊዝ ኤርትራዊት ሄለን ኪዳነ፡ እቲ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ካብ ዝተፈጥረ ግጉይ ርድኢት ዝምንጩ'ዩ ብምባል ትቃወሞ። \"እቶም ስደተኛታት ዝሓሸ ገዛ፣ ዝሓሸ ስራሕ፣ ዕድል ትምህርቲ ንምርካብን ጽቡቕ ናብራ ንክነብሩን እምበር ናይ ብሓቂ ስደተኛ ኮይኖም ኣይኮነን፤ ከነፍቕደሎም የብልናን\" ዝብል ኣረዳድኣ ምሓዞም እዩ ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕን ሞያዊ ኣገልግሎትን ተዋፊሮም ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ዘበርክትዎ እጃም ክሳብ ክነደይ ምዃኑ ኣብ ግምት ክኣቱ ኣይርኣይን ብምባል፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ግጉይ ምስሊ ከም ዝተፈጥረ ትዛረብ። መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ፡ ነቲ \"ዘሕንኽ\" ዝበሎ ብመንግስቲ ብሪጣንያ ዝተኣወጀ ውጥን ምምላስ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ \"ሕሱርን ዘይሞራላውን\" ክብል ነቒፍዎ። ውጥን ስደተኛታት ርዋንዳ ብኸመይ እዩ ክትግበር?","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61196624"} {"headline":"ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበራ ሃገራት ስለምንታይ ምስ ሃገራት ሓባራዊ ሃብቲ ይጽንበራ ኣለዋ?","content":"ጋቦንን ቶጐን ኣብ ፈረንሳ ዘለወን ተጸጋዕነት ንምንካይ ዲፕሎማስያዊ ድርዐን ከደላድላ ጸኒሐን ኣለዋ። ማሕበር ሓባራዊ ሃብቲ ምስ ብሪጣንያ ታሪኻዊ ምትእስሳር ዘለወን ሃገራት ዝሓዘ ማሕበር እዩ። ኣብ ፈለማ ከም ክበብ ግዝኣታት ብሪጣንያ ኰይኑ'ኳ እንተ ተመስረተ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣባል ዝዀናሉ መስርሕ ኣመሓይሹ እዩ። ኣብዚ እዋን፡ እዘን ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበራ ክልተ ንኣሽቱ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ መበል 55ን 56ን ኣባላት ሓባራዊ ሃብቲ ኰይነን ኣለዋ። ሩዋንዳ ኣብ 2009 [ኣ.ኣ.] ሞዛምቢክ ድማ ኣብ 1995 ኣባላት ዝኾና ሃገራት እየን። እዘን ክልተ ሃገራት ምስ ብሪጣንያ ታሪኻዊ ምትእስሳር ዘይነበረን እየን። ኣባል ሓባራዊ ሃብቲ  ክዀና ምምራጸን ነቲ ውድብ ከም ጠቓሚ መራኸቢ ዲፕሎማስን ባህልን ገይረን ከም ዝተቐበላኦ ዘርእይ ኣብ መድረኽ ዓለም ከኣ ከም \"ልኡም ሓይሊ\" ከም ዝጥቀማሉን ዝሕብር እዩ። ብተወሳኺ እንግሊዝኛ፡ ቋንቋ ንግዲ፡ ስነ ፍልጠትን ኣህጉራዊ ፖለቲካን ምዃኑ፡ ከምኡ'ውን ቍጠባዊ ዕብየት ንምድጋፍን ዲፕሎማስያዊ መልእኽትታት ንምስማዕን ዝተፈላለየ መራኸቢታት ንምህናጽን ኣድላዪ ምዃኑ ይእመነሉ። ሩዋንዳ ንጋቦንን ቶጎን ተተባብዕ ኣብነት እያ። ሩዋንዳ ቅድሚ 13 ዓመት ድሕሪ ምጽንባራ፡ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ መራሕቲ መንግስቲ ዝተሳተፉሉ ናይቲ ማሕበር ዋዕላ ኣአንጊዳ እያ። ጋቦንን ቶጎን እቲ ኣብ መንጐ ኣፍሪቃን ፈረንሳን ዘሎ ርክብ ኣዝዩ ኣከራኻሪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን እየን ኣባላት ሓባራዊ ሃብቲ ኮይነን ዘለዋ። ብዙሓት መንእሰያት ነቲ ብፈረንሳ ውሕስነት እተገብረሉ ባጤራ CFA ፍራንክ ከብቅዕ ይደልዩ። ወተሃደራት ፈረንሳይ ኣብቲ ሳሕለ-ሰሃራ ዝፍለጥ ከባቢ ምህላዎም'ውን ኣከራኻሪ እዩ። ስለዝኾነ፡ ምስቲ ካብ ዓለም ዓቢይ ዝኾነ ማሕበር ምጽንባር ንብዙሓት መንእሰያት ቶጎን ጋቦንን ዘሐጕስ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ከም ተምሳሌት ርክብ መራሕቲ ኣፍሪቃን ፈረንሳን ዝርአ ዝነበረ ስርዓታት ክልቲአን ሃገራት ንምምሕያሽ'ውን ዝሕግዝ እዩ። ከምዚ ዓይነት ምዕባለታት ንኣወሃሃድቲ ፖሊሲታት ፈረንሳ ዘቘጥዓሉ እዋን ነይሩ እዩ። ሎሚ ግን መንግስቲ ፈረንሳ ልዝብ ዝበለ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ። ፈረንሳ፡ ዝተፈላለየ ርክባትን ኣህጉራዊ ምትእስሳርን ንምህናጽ፡ ንምስፋሕን ዝዕላማኡ ከም ሓባራዊ ሃብቲ  ዝኣመሰለ 'ኣህጕራዊ ውድብ ፍራንኮፎን' (Organization Internationale de la Francophonie) ብዝብል ዝጽዋዕ ውድብ ኣለዋ። እቲ ውድብ፡ ንሩዋንዳ ሓዊሱ 88 ኣባላት ከምዘለዎን፣ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሩዋንዳ ዝነበረ ልዊስ ሙሺኪዋቦ ጸሓፊ እቲ ውድብ ምዃኑን ይግለጽ። ዋላ ውሑድ ኣባላት ይሃልዎ እምበር፡ ኣብ ማሕበረሰብ ሃገራት ቋንቋ ፖርቹጊዝ (CPLP) እውን ጽልዋ ዘለዎ ማሕበር እዩ። እዞም ሰለስተ ውድባት ጽቡቕ ምምሕዳር፡ ዲሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ምትብባዕን ንዝዀነ ተኣፋፊ ብድሆ ክቀጥምዎ እዮም። እዚ ድማ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ቍጠባዊ ሕብረተሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ (Ecowas) ከይተረፈ ዝቃለስዎ ዘለዉ ጉዳይ እዩ። ሓባራዊ ሃብቲ ን ውድብ ሃገራት ፍራንኮፎንን፡ ስርዓት ምርጫ ኣብ ምምሕያሽ ዝሕግዙ ክኢላታት ናብ ኣባል ሃገራት ይልእኩ እዮም። ቶጎ፡ ካብ 1967 ክሳዕ 2005 በቲ ዕሉል ጨካን ውልቀ-መላኺ ፕረዚደንት ናንሲንግበ ኣያዴማ ተገዚኣ እያ። ብድሕሪኡ ድማ ወዱ ፋዉር ናንሲንግበ ይመርሓ ኣሎ። ፕረዚደንት ጋቦን ኣሊ ቤን ቦንጎ ኦንዲምባ፡ ወዲ ነቲ ካብ 1967 ክሳዕ 2009 መራሒ ጋቦን ዝነበረ ኦማር ቦንጎ እዩ። ኣሊ ቦንጎ ፕረዚደንት ቅድሚ ምዃኑ ሚኒስተር ምክልኻል ነይሩ። “ኣባል ሓባራዊ ሃብቲ ንምዃን ዘድሊ ረቛሒ፡ ሓንቲ ኣመልካቲት ሃገር ንዲሞክራስን ንዲሞክራስያዊ መስርሕን ከምኡ'ውን ንናጻን ፍትሓውን ምርጫታትን ተወካሊ ሓጋጊ ኣካልን ቈራጽነት ከተርኢ ኣለዋ፡” ይብል ንጋቦንን ንቶጎን ኣባል ምዃነን ብወግዒ ዘፍለጠ መግለጺ ሓባራዊ ሃብቲ። ፕረዚደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋመ፡ ማሕበራውን ቍጠባውን ምዕባለ እንተመዝገበ'ውን፡ ስልጣን ኣብ ምጥቃም ምልካዊ  ከምዝኾነ ተጣበቕቲ መሰላት ይኸሱ። እቶም ተቓወምቲ ክፈርሑ ከም ዝተገበሩን ከምዝተገለሉን ይገልጹ። ካጋመ፡ \"ኣብ ሩዋንዳ ብዘይግባእ ነገር ዝተኣሰረ ሰብ የለን” ብምባል መንግስቱ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዘኽብር ይገልጽ። ጋቦን ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዝካየድ ፕረዚደታዊ ምርጫ፡ ብቐንዲ መለክዒታት ብቝዕ ምሕደራ ብድሆ ከጋጥማ እዩ። ንቶጎ ግን፡ ሕጂ ዝኸውንን ፍዅስ ዝበለን ፈተና እዩ። ቶጎ፡ ኣባል ሓባራዊ ሃብቲ ምዃና ኣብ ዝገለጸሉ መዓልቲ፡ እቲ 'DMK' ዝበሃል ሰልፊ ዝመርሖ ሰልፊ ተቓውሞ ንኸይካየድ ሰበስልጣን ከልኪሎም እዮም። ዕላማ እቲ ሰልፊ እናገደደ ዝመጽእ ዘሎ ወሰኽ ዋጋ፡ ሕማቕ ምምሕዳርን ዘይፍትሓውነትን ንምግላጽ እዩ ነይሩ። እቲ ሰልፊ ተቓውሞ ን16 ሓምለ ክካየድ መደብ ተታሒዙ ኣሎ። ቶጎ ኣባል ሓባራዊ ሃብቲ  ምዃና እንታይ ለውጢ ከምዘምጽእ ሽዑ ክፍለጥ እዩ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c0vwdpw78l7o"} {"headline":"ሓተትቲ ዑቕባ ሩዋንዳ፡ 'ብህይወት ንምንባር ንቃለስ'","content":"\"ንኽነብር ጥራይ እየ ዝቃለስ ዘለኹ\" በለኒ እቲ ስንባደ ዝመልኦ ዝመስል ሰብኣይ ቅሩብ ብዘንቅጥቀጥ ድምጺ። ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ርእሰ ከተማ ሩዋንዳ ደው ኢልና፤ ካብ ኣዒንቲ ሰባት ክውል ንምባል ብዘኽእለና ኣግራብ ዝተኸበበ እዩ። መሓመድ፡ ሓታቲ ዑቕባ ኰይኑ እዩ ናብዛ ሃገር መጺኡ። ኣባላት ስለያ ሃገሩ ክጨውይዎ ምስፈተኑ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሩዋንዳ ከምዝሃደመ ይገልጽ። መሓመድ፡ ናብራ ኪጋሊ ከም ዝኸበዶ ይዛረብ። ምስ ጋዜጠኛ ብምዝራቡ ግዳይ መጥቃዕቲ ከይከውን ኣዝዩ ስለዝፈርሐ፡ ሓቀኛ ስሙ ይዅን ስም ዓዱ ከይግለጽ ሓቲቱ ኣሎ። ኣብ ሩዋንዳ ዝነብር ንቓለመጠይቕ ፍቓደኛ ዝኸውን ሓታቲ ዑቕባ ንምርካብ ንመዓልታት ጽዒርና። ንምዝራብ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰባት ንረክብ’ሞ፡ መሊስና ግን ምኽንያቱ ብዘይንፈልጦ መንገዲ ከይረኸብናዮም ንተርፍ። እዚ ዝኸውን ድማ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ \"መራሒ ማሕበረሰብ\" [ንኢትዮጵያውያን ማሕበረሰብ ሩዋንዳ ዝመርሕ ሰብ] ምስረኸቦም እዩ። \"ዑቕባ ሓቲተ ኣለኹ\" ኢሉኒ መሓመድ። \"እቶም ሰበስልጣን ኣይፋል ኣይብሉን እዮም፣ ንዅሉ ግን 'ጽባሕ'፡ ወይ 'ዝመጽእ ወርሒ ተመለስ'' ዝብል መልሲ እዮም ዝህቡኻ። ዳርጋ ሓደ ዓመት ኰይኑ'ሎ ከይሃቡኒ\" ይብል። ኣብ ለንደን ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ሕጋውነት ናይቲ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ገለ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ንምልኣኽ ዝሓንጸጾ ኣካታዒ ውጥን ኣብ ዝምርምረሉ ዝነበረ እዋን፡ ንመሓመድ የዘራርቦ ነይረ። እቶም ዳያኑ ድማ፡ ፖሊሲ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ሕጋዊ ምዃኑን፡ ኣብኡ ዝግበር ዝዀነ ይዅን ምግዓዝ \"ምስ ውዕል ስደተኛታት (ሕቡራት ሃገራት) ዝሰማማዕ\" እዩ ክብሉ ውሳነ ኣሕሊፎም። መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ጉዳይ ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ሩዋንዳ ክፍጸም ክብል ከሎ፡ ብንኣሽቱ ጀላቡ ንመትረብ እንግሊዝ ዝሰግሩ ሰባት ከም መከላኸሊ ከምዝኸውን ብምእማኑ እዩ። ነቲ ፖሊስ ዝነቕፉ ተቓወምቲ ግን ጨካን፡ ዘይሰርሕን ልዑል ወጻኢ ዝሓትትን እዩ ይብሉ። ቅድሚ ሕጂ፡ ጕጅለ ጐስጓስ ሂዩማን ራይትስ ዎች (HRW) \"ዓፈና መሰል ምዝራብ፡ ብዘይ ሕጊ ምእሳር፡ ሕማቕ ኣተሓሕዛን ስቅያትን\" ከምዘሎ ኣብቲ ብዛዕባ ኵነታት ሩዋንዳ ስክፍታኡ ዘስፈረሉ መግለጺ ሓቢሩ ነይሩ። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት እውን፡ ሩዋንዳ \"ንተበጻሒ፡ ዘተኣማምን፡ ፍትሓውን ስሉጥን ስርዓተ ዑቕባ ዝኸውን እቲ ዝተሓተ ዝበሃል ባእታታት\" ከምዘይብላ ንቤት ፍርዲ ገሊጹ ነይሩ። ሰባት ናብተን ስቅያት ዘውርዳሎም ሃገራት ክምለሱ ዝግደዱሉ ኵነታት ክህሉ ከምዝኽእል ድማ ስክፍታ ነይርዎ። ከምኡ'ውን እቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰነ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ \"ብቕዓትን ስሉጥነትን መስርሕ ዑቕባ ዘተሓሳስብ ኰይኑ፡ ኣብ ገለ ጉዳያት ውሳነታት ክወሃብ ክሳብ ክልተ ዓመት ዝወስድ'ዩ\" ኢሉ። መሓመድ፡ ህይወቱ ኣብ ደንገርገር ዘላ ኮይኑ ከምዝስምዖ ይዛረብ። ሕጋዊ ወረቐት ስለዘይብሉ ብሕጋዊ መንገዲ ክሰርሕ ኣይክእልን እዩ። \"ኣዕሩኽን ኣዝማድን ይሕግዙ\" በለኒ። ቅሩብ ኣታዊ ዝረኽበሎም ፍልይ ዝበሉ ዕድላት ስራሕ ሓሓሊፉ ከምዘጋጥሞ’ውን ይዛረብ። ሓገዝካ ዝጽበዩ በዓልቲ ቤትን ደቅን እንተሃልዮም ከኣ እቲ ኵነታት ዝኸፍአ እዩ ዝኸውን። ካብ ሩዋንዳ ወጺኡ፡ \"ሰላም ኣብ ዘለዎ ከም ካናዳ ወይ ኣውስትራልያ. . . ናብ ዝዀነ ቦታ\" ክኸይድ ከም ዝደሊ ይዛረብ። ካብቶም ነቲ ውጥን ብሪጣንያ ዝቃወሙ ጐስጎስቲ ዘልዕልዎም ስክፍታታት እቲ ሓደ፡ ኣብ ሩዋንዳ ኣብ ልዕሊ ኤልጂቢቲ ሰባት [ሕደ-ጾታውያን] ዝግበር ጸቕጢ እዩ። ዘይከምቲ ኣብ ገለ ጐረባብቲ ሃገራት ዘሎ ኣብ ሩዋንዳ እቲ ካብ ምስተጻራሪ ጾታ ወጻኢ ዝግበር ፍቕራዊ ርክባት ዘይሕጋዊ ኣይኮነን። ግን ድማ ሂዩማን ራይትስ ዋች ናብ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝጸሓፎ ቅሉዕ ደብዳበ \"ሕደጾታውያን፡ ክልተ ጾታ ዘለዎምን ትራንስጀንደርን ኣብ ሩዋንዳ ምግላል የጋጥሞም እዩ\" ኢሉ ነይሩ። እቶም በዚ ዝግለጹ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ብሰንኪ ካልኦት ሰባት ኣብ ልዕሊኦም ዘሎ ኣረኣእያ፡ ከም ሕክምና ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት ንምርካብ ከም ዝጽገሙ፡ እቲ ኣብ ሩዋንዳ ወንጌላዊት ቤተክርስትያን ‘ጋድ ኢን ኣፍሪካ’ ዘገልግል ኣፍቃሪ ተመሳሳሊ ጾታ ዝዀነ ፓትሪክ ኡዋየዙ ነጊሩኒ። ንናይ ሰባት ዕድል ስራሕ ከይተረፈ ክጸልዎ ይኽእል እዩ። \"መንነትካ እንተሓቢእካ ስራሕ ክህቡኻ ይኽእሉ እዮም። [ኣስራሕቲ እንተፈሊጦም] ግን 'ኪድ ምሳኻ ክንሰርሕ ኣይንኽእልን ኢና' ይብሉኻ። ኣብዛ ሃገር ብዙሓት ሰባት ዘይርድኡና ይመስለኒ\" ይብል። ኣብቲ ናይ ሽዱሽተ መዓልታት ዑደትና ምስ መንግስቲ ቃለ መጠይቕ ክንገብር ብተደጋጋሚ ሓቲትና፤ ኣፈኛ መንግስቲ ተሰማሚዑ'ኳ እንተነበረ ኣብ መወዳእታ ግን ኣይሰመረን። ይዅን እምበር \"ኣድልዎ ብዅሉ መልክዑ ካብ ሕገመንግስትና ወጻኢ ኰይኑ ሩዋንዳ ድማ ንዅሉ ሰብ ተቐባሊት እያ\" ዝበል መግለጺ ልኢኹልና። ወሲኹ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ካብ ሊብያ ልዕሊ 100 ሰባት ዝርከብዎም ብዙሓት ሓተቲ ዑቕባ ናብታ ሃገር እናሰደደ እንከሎ፡ ንሩዋንዳ ምንቃፉ፡ \"ብንጹር ዝጋጮ\" ምዃኑ ሓቢሩ። ንውሳነ መንግስቲ ብሪጣንያ ብሓጐስ ዝተቐበለ መንግስቲ ሩዋንዳ \"ንድሕነት ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ከምኡ’ውን ኣብ ሩዋንዳ ሓድሽ ህይወት ንምህናጽ ዘኽእሎም ዕድልን ንምቕራብን ድሉው\" ምዃኑ ገሊጹ። ብርግጽ ኣብ ሩዋንዳ ምስ ጉዳይ ስደተኛታት ብዝተሓሓዝ ዕውት ተመኵሮታት ኣሎ። ተኽላይ ጠዓመ ካብ ኤርትራ ዳርጋ ቅድሚ 25 ዓመት ማለት ኣብ 1998 ናብዚ መጺኡ። ኣብዚ እዋን ድማ ሓይለ ድኳናት ጅምላን ሱፐርማርኬታትን የካይድ። \"ኣብዚ ምስ መጻእኩ ኵሉ ነገር ሓድሽ እዩ ነይሩ። እቶም ሰባት ግን ኣዝዮም ተመሓዘውቲ ስለዝዀኑ ንኽወሃሃድ ግዜ ኣይወሰደለይን። ብኣርባዕተ ሰራሕተኛታት እየ ጀሚረ። ሕጂ ልዕሊ 600 ሰራሕተኛታት ኣለዉኒ\" ይብል። ኣቶ ተኽላይ ዘይከም ብዙሓት ስደተኛታት ነቲ ንግዲ ንምጅማር ዘኽእሎ ገንዘብ ነይርዎ እዩ። ሕጂ'ውን ሩዋንዳ ብሕጊ ክሳብ ዝኸድካ ንዅሉ ሰባት ዕድላት ትህብ ሃገር እያ ይብል። ተኽላይ፡ \"ስደተኛታት ኰይኖም ዋላ ሓንቲ ከይሓዙ ናብዚ ዝመጹ፡ ግን ናይ ገዛእ ርእሶም ህይወትን ንግዲን ዝጀመሩ\" ኤርትራውያን ከም ዝፈልጥ ይዛረብ። ሓተትቲ ዑቕባ ካብ ብሪጣንያ ናብ ሩዋንዳ ንምልኣኽ ዝተወጠነ ውጥን ዝቃወሙ ሰባት ዘለዎም ከመይ ከምዝግምግሞ ሓቲተዮ። \"እንታይ ከም ዝፈርሑ ኣይፈልጥን እየ፡ ኣብዚ ግን ናይ ምፍራሕ ኣድላይነት ኣይረኣየንን\" ክብል መልሲ ሂቡኒ። እቶም ነቲ ስምምዕ መንግስቲ ብሪጣንያ ዝቃወሙ ሰባት፡ ስግኣት ከምዘለዎም ገሊጾም ነይሮም። ስለዚ ተቓወምቲ ናይዚ ውጥን ይግባይ ክብሉ ተኽእሎ ኣሎ። ሩዋንዳ ነቶም ዕቝባ ዝደልዩ ውሕስቲ ድያ ወይስ ኣይኮነትን ዝብል ክትዕ ኣብዚ ዝውዳእ ኣይኰነን።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c2e9evnq0qno"} {"headline":"ስለምንታይ እያ ብሪጣንያ ንሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ክትልእኾም ትደሊ?","content":"መንግስቲ እንግሊዝ፡ ንገለ ካብቶም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዑቕባ ንክሓቱ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ብመትረብ ኢንግሊዝ (ብሪቲሽ - ቻነል) ዝኣተው ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ክሰዶም እዩ ። እዚ ሕጋዊ ብድሆታት ዘለዎ ስጉምቲ፡ ካልኦት ሓተትቲ ዑቕባ፡ ስደተኛታት ንእንግሊዝ ቻነል ሰጊሮም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ንኸይሰግሩ ዓጊቱዎም ኣሎ። እቲ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝጸንሕ ናይ ፈተነ መስርሕ፡ ገለ ካብቶም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣተዉ ስደተኛታት ኣብ ሩዋንዳ ዑቕባ ክሓቱን ጉዳዮም ኣብኡ ኽረአን እዩ። እቶም ቀዳሞት ጉጅለ ሎሚ ሰሉስ 14 ሰነ ክለኣኹ ምዃኖም ተሓቢሩ ኣሎ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን፡ እቲ ናይ ምስጓግ መደብ ነቶም ብኣዝዩ ሓደገኛ ሜላታት፡ ብናእሽቱ ጃላቡ ወይ ኣብ ማካይን ተሓቢኦም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ዘይሕጋውያን መንእሰያት ስደተኛታት ዘድሃበ ምዃኑን፡ ርዋንዳ ነቶም ናብ ሃገራ ዝለኣኹ ሰባት ማዕረ ናይ ስራሕ ዕድልን ኣገልግሎትን ከምእትህቦም ገሊጹ። ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ፡ ካብ 1 ጥሪ ኣትሒዙ፡ \"ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተው፡ ቁጽሮም ብዘየገድስ  ናብ ሩዋንዳክልኣኹ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ። ይኹን እምበር፡ ሓደ ናይ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ሰራሕተኛ፡ “ እቲ ተግባር፡ ዘመናዊ ባርነትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን’ዩ” ብምባል ብሕጋዊ ምጉት ምስተበደሀ ቁጽሪ እቶም ኣብ ፈለማ ከለኣኹ ተሓሲቦም ዝነበሩ 37 ሰባት ናብ 11 ከም ዝጎደለ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ኬር- 4 ካሊስ፡ ዝተባህለ ናይ ግብረ ሰናይ ትካል እቶም ጽባሕ ንሩዋንዳ ብነፋሪት ዝምለሱ ሰባት 11 ምዃኖም ኣረጋጊጹ ኣሎ። ማሕበራት ግብረ ሰናይን ጠበቓታትን ንሓተትቲ ዑቕባ ብምውካል ንውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ይምጎትዎ ኣለው። እቲ ትማሊ ሰኑይ ዝቐረበ ይግባይ:- ኣሳይለም ኤይድ ዝተባህለ ትካል፡ እቲ ንሓተትቲ ዑቕባ ናይ ምምላስ ተግባር ዘይፍትሓዊ ምዃኑ፡ እኹል ሕጋዊ ሓገዝ ንክረኽቡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ምጽናሕ መሰል ክረኽቡ ክፍቀደሎም ከምዝግባእ ሓቲቱ። ካልኦት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እውን “ርዋንዳ ንሓተቲ ዑቕባ ውሑስቲ ድያ?” ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም። እቲ ፖሊሲ ነቲ ናይ ኤውሮጳ ውዕል ሰብኣዊ መሰላት ዘፍርስ’ዩ እውን ይብሉ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ንፖሊሲ እቲ መንግስቲ \"ኣዝዮም ንጡፋት ጠበቓታት\" ክቃወምዎ ትጽቢት ከም ዝገበረ ገሊጹ። ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት መንግስቲ “ክፉት ናይ ስደት ማዕጾ ክህሉ እዮም ዝደልዩ” ብምባል “ እቲ ብዓዋሉ ዝግበር ዘይሕጋዊ ናይ ጀላቡ ምስግጋር” ደው ክብል ኣለዎ ክብል ተዛሪቡ። ርዋንዳ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ኪጋሊ ኣብ ዝርከብ ቦታ፡ ነቶም ካብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝመጽኡዋ ስደተኛታት መሰረታዊ መዕቆብን መጽለልን ኣዳልያ ኣላ ። እታ ሃገር ካብ ጎረቤት ቡሩንዲን ዲሞክራሲ ሪፖብሊክ ኮንጎን ዛጊት ኣስታት 150,000 ስደተኛታት ኣለውዋ። ብሊብያ ኣቢሎም ናብ ማእከላይ ባሕሪ ንኽሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት እውን ተአንግድ እያ። ገሊኦም ስደተኛታት ኣብ ሕርሻታት ገሊኦም ከኣ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ኣገልግሎት ትካላት ይሰርሑ። ዝበዝሑ ግን  ስራሕ ዘይብሎም በተን መንግስቲ ኣብ ወርሒ ዝህቦም 35 ፓውንድ እዮም ዝነባበሩ። መንግስቲ ርዋንዳ፡ እታ ሃገር ድሕሪ እቲ ኣብ 1994 ኣስታት 800,000 ሰባት ዝቐተለ ጃምላዊ ህልቂት ተኣምራዊ ምዕባለ ተርኢ ከምዘላ እዩ ዝገልጽ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ሃገራዊ እቶት ርዋንዳ ብዓሰርተ ዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ ። ሓፈሻዊ “ናይ ምንባር ዕድመ” ደቂ እታ ሃገር ከኣ ካብ 1990ታት ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ 69 ዓመት ኰይኑ ኣሎ። ይኹን እምበር ፡ ካብቲ 13 ሚልዮን ህዝቢ እታ ሃገር ፡ እቶም 70% ሓረስቶት እዮም። እዚ ማለት ከኣ፡ ኣብ ክንዲ ኣፍርዮም ዝሸጡ፡ ዘፍረዩዎ እኽሊ ዘህልኹን ዝበልዑን እዮም። ብሪጣንያ፡ ኣብ ቁጠባዊ ምዕባለን ዕብየትን ሩዋንዳ ዝውዕል 120 ሚልዮን ፓውንድ ክትህብ እያ። ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ፕሪቲ ፓተል፡ ነቲ እትፍጽሞ ዘላ ስደተኛታት ናይ ምምላስ ተግባር ብገንዘብ ዝልካዕ ኣይኮነን ዝብል እምነት ስለዘለዋ ነቲ ፖሊሲ ኽትትግብር በይናዊ ሓላፍነት ክትወስድ ወሲና እያ። ኣብዚ እዋን’ዚ ስርዓተ ዑቕባ ዓዲ-እንግሊዝ ዓመታዊ 1.5 ናቕፋ የውጽእ። ነቶም ዝቕበሎም ስደተኛታት ኣብ ሆቴላት ከተኣናግድ ንመዓልቲ  ልዕሊ 4.7 ሚልዮን ፓውንድወጻኢ ይገብር። ምስቲ ኣውስትራሊያ ኣብ 2021-22፡ ኣብ ስግር ባሕሪ እተሳልጦ፡ 957ሚልዮን ዶላር ወይ (546 ሚልዮን ፓውንድ) ዝውድእ መስርሕ ሕቶ ዑቕባ ክረአ እንከሎ ናይ ብሪጣንያ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ኣብ 2020 ንሓደ ሰብ ብፍልይቲ ነፋሪት (ብቻርተር) ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ንምምላስ  ልዕሊ 13,000 ፓውንድ ወጻኢይሓትት ነይሩ ። ኣብ ግንቦት 2022 ኣስታት 2,871 ሰባት ኣትዮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግን 1,619 ጥራይ ነይሮም ። ኣብ ምሉኡ ዓመተ 2021፡  ኣስታት 28,526 ሰባት ብናእሽቱጃላቡ ተሳጊሮም።  ብ2020 ግንኣስታት 8,404 ጥራይ ኣቢሎም ነይሮም። ብመሰረት ሰበ-ስልጣን ምክትታል ዶባት ብሪጣንያ፡ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ዝተመዝገበ ቝጽሪ ስደተኛታት ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ ። ኣብ ዓመተ 2021 ኣስታት 75% ካብቶም ስደተኛታት ዕድሚኦም ካብ 18 ክሳብ 39 ዓመት ነይሮም ። ኣስታት 5% ከኣ ዕድሚኦም ልዕሊ 40 ዓመት ዝበጽሑ ሰብኡት እዮም።  7% ከኣ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚአን ደቀንስትዮ እየን። 12% ከኣ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ኮይኖም ካብዚኦም እቶም ሰለስተ ርብዒ ደቂ ተባዕትዮ እዮም ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ እቶም ዝበዝሑ ስደተኛታት ኢራናውያን እዮም ነይሮም። ኣብ 2018 ኣስታት 80% ዝነበሩ ኣብ 2019 ናብ 66% ነክዮም። ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን እቲ ብቻነል ኢንግሊዝ ዝሰግሩ ዘለው ስደተኛታት ካብ ኩሉ ዓሌትን ሃገርን ዝተሓዋወሱ እዮም።  ኢራናውያን 30% ዒራቓውያን 21% ፡ ኤርትራውያን 11% ፡ ሶርያውያን ከኣ 9%  ምዃኖም ቤትጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ይገልጽ ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c04g940d9jyo"} {"headline":"ስደት፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣስታት 1000 ስደተኛታት ብመትረብ እንግሊዝ ሰጊሮም","content":"ሚኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ፡ ብቐዳም ኣስታት 1000 ስደተኛታት ብ24 ንኣሽቱ ጀላቡ ንመትረብ እንግሊዝ ብምስጋር ናብታ ሃገር ከምዝኣተዉ ገሊጹ። ኣብዚ ወርሒ ካብ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተዉ ብዝሒ ስደተኛታት 6,395 በጺሑ ኣሎ። ኣብ ዓመተ 2021 ብሓፈሻ 28,461 ስደተኛታት ብንኣሽቱ ጀላቡ ንመትረብ እንግሊዝ ብምቝራጽ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዮም ነይሮም። ኣብዛ ገና ዘይተዛዘመት ዓመተ 2022 ግን፡ ቍጽሪ ናይቶም ነቲ መትረብ ሰጊሮም ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ስደተኛታት ናብ 39,430 ክብ ክብል ክኢሉ'ሎ። ጉዳይ ስደተኛታት ዝጻረየሉ ማእከል ማንስቶን ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ሰባት ኣዕለቕሊቑ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ። እቲ ሚኒስትሪ፡ ቀዳም ጥራይ 990 ስደተኛታት ነቲ መትረብ ኣቋሪጾም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከምዝኣተዉ ኣፍሊጡ። ደቪድ ኒል ዝተበሃለ መርማሪ ጉዳይ ዶብን ስደተኛታትን፡ ናብቲ እቶም ስደተኛታት ዝርከቡሉ ማንስቶን ብምብጻሕ እቲ ቦታ ልዕሊ ዓቕሚ ሰብ ሒዙ ከምዘሎ ኣብሪሁ። ማንስቶን፡ ካብ 1600 ዘይበዝሑ ስደተኛታት ናይ ምሓዝ ዓቕሚ’ኳ እንተለዎ፡ ኣብዚ እዋን ግን 2800 ስደተኛታት ሒዙ ከምዘሎ ደቪድ ኒል ገሊጹ። ካብቶም ብቐዳም ንመትረብ እንግሊዝ ዝሰገሩ ስደተኛታት እቶም ዝበዝሑ ኣልባናውያን ምዃኖም ተሓቢሩ። እቶም ሓተትቲ ዑቕብ ስደተኛታት፡ ኣብ ርዋንዳ ክኸዱን ጉዳዮም ኣብኡ ክርአ ኣለዎ ዝብሉን ሰብ መዚ፡ ነዚ ናይ ቀዳም ክስተት ምርኩስ ብምግባር ሓሳቦም ከትርርዎ ጀሚሮም ኣለዉ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c89pwxj7g39o"} {"headline":"ኣምባሳደር ብሪጣንያ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ከይስደዱ ተማሕጺኑ ምንባሩ ተፈሊጡ","content":"ኣቐዲሙ ዘይተራእየ ምስ ስምምዕ ምስግጋር ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ዝተኣሳሰር ሰነዳት ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ተቐሊዑ። ሓደ ካብቶም ሰነዳት፡ ንውሕስነት ርዋንዳ ዝምልከት \"ወድዓዊ፡ ዘይሻራዊን ናጻን\" ገምጋም ቅድሚ ምሕታሙ መንግስቲ ርዋንዳ ርእይቶኡ ክህበሉ በቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ኪጋሊ ዝርከብ ኤምባሲ ብሪጣንያ ከምዝተዋህበ የነጽር። ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ ኣብ ዝቐረበ ሓፈሻዊ ምጉት፡ ጠበቓታት ናይቶም ነቲ ፖሊሲ ዝቃወሙ ዘለዉ ወገናት፡ እቲ ኣብቲ ኤምባሲ ዝርከብ ጉጅለ ውሽጣዊ ጉዳያት \"መንግስቲ ርዋንዳ ብዛዕባ ኣብ ሰባዊ መሰላት ዘለዎ ኣተሓሕዛ ርእይቶ ክህብ ዕድል ምሃቡ\" ናጻን ዘይሻራውን ንክብሃል ከቢድ ምዃኑ ይጠቅስ። ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣብ ርዋንዳ፡ ንክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገሩ ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ፡ ምስ ርዋንዳ ሓተትቲ ዑቕባ ናይ ምስግጋር ስምምዕ ከይግበር ተማሕጺኑ ነይሩ። ኣብቲ ዝለኣኾ መዘክር፡ ርዋንዳ ዘለዋ ኣተሓሕዛ ሰባዊ መሰላትን ንእትወስዶ ተሪር ጸጥታዊ ስጉምቲታትን ብምንቃፍ፡ ስምምዕ ስደተኛታት ምፍጻም፡ \"ንኽብርና ጸገም ዝፈጥርን፡ ብመሰረት ሚኒስተራት ዝሃብዎ መምርሒታት፡ ከበድቲ ጉዳያት ነቲ ስርዓት ኣብ ምልዓል'ውን ጽልዋ ክህልዎን ይኽእል'ዩ\" ይብል። ገለ ሰበስልጣን ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢን ውሽጣዊ ጉዳያትን ብሪጣንያ ተቓውሞታቶም ከምዝገለጹ'ውን እቶም ዝወጹ ሰነዳት ይጠቕሱ። እቲ ስምምዕ እንተተፈጺሙ፡ \"መርገጺ ብሪጣንያ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰባዊ መሰላት ርዋንዳ ንምግታእ ድሉዋት ክንከውን ከድልየና ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ፓርላማን ዘይመንግስታውያን ውድባትን ንዝመጸና ነቐፌታታት ክንጻወሮ ኣለና\" ክብሉ ኣጠንቂቖም ነይሮም። ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ 2022፡ መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ሓተትቲ ዑቕባ ንምስግጋር ምስ መንግስቲ ርዋንዳ ከምዝተሰማምዐ ብወግዒ ምግላጹ ይዝከር። እቲ ንፈተነ ንሓሙሽተ ዓመታት ክቕጽል ትጽቢት ዝግበረሉ ፖሊሲ፡ ካብ ብሪጣንያ ዝተሰጋገሩ ስደተኛታት ኣብ ርዋንዳ ዑቕባ ክሓቱ ዝገብር'ዩ። እቶም ስደተኛታት ኣብ ርዋንዳ ክጸንሑ ዘኽእሎም ቀዋሚ ዑቕባ ክወሃቦም ይኽእል። እንተዘይኮይኑ ድማ፡ ብኻልእ መልክዕ ኣብታ ሃገር ክጸንሑ ወይ ድማ ናብ \"ውሑስ ሳልሳይ ሃገር\" ዑቕባ ክሓቱ ይኽእሉ። እቲ ፖሊሲ ነቶም፡ መንግስቲ \"ብዘይሕጋዊን ሓደገኛን ኣገባባት\" ናብ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ዝበሎም ሰባት ዝምልከት'ዩ። ከም ፈረንሳ ኣብ ዝበላ ካልኦት ውሑሳት ሃገራት ዑቕባ ካብ ምሕታት ብናኣሽቱ ጃላቡ ወይ ብዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ናብ ብሪጣንያ ዝኣትዉ በቲ ውሳነ ዝጽለዉ እዮም። ካብ ዕለት 1 ጥሪ 2020 ኣትሒዙ \"ዝኾነ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተወ\" ናብ ርዋንዳ ክሰጋገር ይኽእል። ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ከምዝበሎ፡ እቲ ስምምዕ ናይ ቁጽሪ ገደብ የብሉን። ኣብቲ ፈላሚ በረራ፡ 37 ሰባት ክሰጋገሩ መደብ'ኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ዝቐረቡ ሕጋዊ ጥርዓናት እቲ ቁጽሪ ናብ ኣስታት ሸውዓተ ሰባት'ዩ ወሪዱ፡ እቶም ሸውዓተ'ውን ኣብ መወዳእታ ሰዓት ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ከምዝጸንሑ ተገይሩ። ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ብሪጣንያ ንገለ ተነቀፍቲ ዝበለቶም ስደተኛታት ክትመልሶም ርዋንዳ ክትሓትት ትኽእል። እዚ ግን ንውሑዳት ጥራይ ዝምልከት ከምዝኸውን ርዋንዳ ትገልጽ። ካብ 14 ሚያዝያ 2022 ጀሚሩ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ጥራይ 7,432 ሓተትቲ ዑቕባ ብናኣሽቱ ጃላቡ ናብ ብሪጣንያ ከምዝኣተዉ ይግለጽ። ምስቲ ናይ ተመሳሳሊ እዋን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክናጻጸር እንከሎ ብ60 ሚእታዊት ወሲኹ። ኣብ 2021 ኣብ ተመሳሳሊ እዋን 4,554 ሰባት'ዮም ብጃላቡ ኣትዮም። ኣብ ምሉእ ዓመተ 2021 ብሓፈሻ 28,526 ሰባት ብናኣሽቱ ጃላቡ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ኣብ 2020 ድማ 8,404 ስደተኛታት ኣትዮም። ሓለዋ ዶባት ብሪጣንያ ከምዝብልዎ፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ብጠቕላላ ኣስታት 60,000 ስደተኛታት ክኣትዉ ትጽቢት ይግበር። ሓደ ነቲ ጉዳይ ዝከታተል ፍሉይ ኮሚቴ ፓርላማ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣሰጋገርቲ ስደተኛታት ነቲ ሓድሽ ፖሊሲ ብምጥቃም፡ ነቶም ስደተኛታት ቀልጢፎም እንዘይኣትዮም፡ ድሕሪ ሕጂ ብሪጣንያ ኣይክትእቶን'ያ ብምባል ዝያዳ ሰባት ብጃላቡ ክሰግሩ ኣብ ምግባር ዕድል ከምዝፈጠረሎም ይእምት። ካብቶም ኣብ 2021 ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ስደተኛታት እቶም 75 ሚእታዊት ኣብ ክሊ ዕድመ 18 ክሳብ 39 ዝርከቡ ደቂ-ተባዕትዮ ክኾኑ እንከለዉ፡ 5 ሚእታዊት ድማ ልዕሊ 40 'ዝዕድሚኦም ደቂ-ተባዕትዮም እዮም። እቶም ዝተረፉ 7 ሚእታዊት ልዕሊ 18 ዕድመ ዘለወን ደቂ-ኣንስትዮ፡ እቶም 12 ሚእታዊት ድማ ትሕቲ 18 ዓመት ቆልዑ ኮይኖም፡ ሰለስተ ርብዒ ካብኦም ደቂ-ተባዕትዮ እዮም። ብዓይኒ ዜግነት ክረአ እንከሎ ድማ፡ 30 ሚእታዊት ካብቶም ብጃልባ ዝኣተዉ ኢራናውያን ክኾኑ እንከለዉ፡ 21 ሚእታዊት ዒራቓውያን፡ 11 ሚእታዊት ኤርትራውያን፡ 9 ሚእታዊት ድማ ሶርያውያን ምዃኖም ጸብጻብ ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት (ሆም ኦፊስ) ይጠቅስ። ተሓለቕቲ መሰላት ስደተኛታት ዝኾና ትካላትን ጠበቓታት ሓተትቲ ዑቕባን፡ ኣንጻር እቲ ፖሊሲ ዝተፈላለዩ ሕጋዊ ጥርዓናት ኣቕሪቦም ኣለዉ። ነቲ ስምምዕ ዝቃወሙ ወገናት፡ ርዋንዳ ውሕስቲ ሃገር ስለዘይኮነት፡ እቲ መደብ ንውዕል ሰባዊ መሰላት ኣውሮጳ ዝጥሕስ'ዩ ብምባል ይምጉቱ። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ፡ ገለ ካብቶም ንፈለማ እዋን ናብ ርዋንዳ ክሰጋገሩ ዝተመደቡ ስደተኛታት ካብታ ፈላሚት ነፋሪት ከምዝወርዱ ተገይሩ። እንተኾነ ግን፡ ነቲ ፖሊሲ ምሉእ ብምሉእ ንምስራዝ ዝቐረበ ሕጋዊ ምጉት ብይግባይ ሰማዒ ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ኣቐዲሙ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እቲ ፖሊሲ ሕጋዊ ክብል ፈሪዱ ነይሩ'ዩ። እንተኾነ ግን ቤት ፍርዲ ሰባዊ መሰላት ኣውሮጳ ኣብ መወዳእታ ብዘሕለፎ ትእዛዝ እቲ ፈላሚ በረራ ክቋረጽ ተገዲዱ። እቲ ቤት ፍርዲ ኣካል ሕብረት ኣውሮጳ ዘይኮነ፡ በቲ ብሪጣንያ ኣባሉ ዝኾነት ቤት ምኽሪ ኣውሮጳ (ካውንስል ኦፍ ዩሮፕ) ዝምእከል'ዩ። እቲ ቤት ፍርዲ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ፈላሚ በረራ ክሰጋገሩ ዝተመደቡ ዝኾነ ዒራቓዊ ስደተኛ ብዘይ ድሌቱ ናብ ርዋንዳ እንተ ተወሲዱ \"ክፍወስ ዘይክእል ጉድኣት\" ከጋጥሞ ከምዝኽእል ብምግላጽ ከይውሰድ ኣዚዙ። እቲ ብዪን እቶም ካልኦት'ውን ተመሳሳሊ ጥርዓናት ከቕርቡ ብምትብብዑ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ኩሎም እቶም በታ ናይ መጀመርታ ነፋሪት ክበሩ ዝሓሰቡ ስደተኛታት ክተርፉ ክኢሎም። ሚኒስተር ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ፕሪቲ ፓተል፡ እቲ ውሳነ ቤት ፍርዲ \"ዘጒሂ'ዩ\" ብምባል \"ሕጂ ንዝቕጽል በረራ ምድላው ክጅምር'ዩ\" ክትብል ኣብ ውሳንኣ ከምዝጸንዐት ተዛሪባ ነይራ። ነቲ ጉዳይ ናይ መወዳእታ መዕለቢ ንምግባር፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ወርሒ መስከረም ሕጋዊ ገምጋም ክገብረሉ ትጽቢት ይግበር። እቲ ገምጋም ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ'ዩ ክካየድ ተሓሲቡ ነይሩ። ነቲ ጉዳይ ዝምርምሩ ዳኛታት፡ እቲ ፖሊሲ ዘይሕጋዊ ኮይኑ እንተረኺቦሞ፡ ኣብ መንጎ ዝተወስዱ ስደተኛታት ንኽምለሱ ዘኽእል'ዩ ክኸውን። ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተኻየደ ገምራዊ ገምጋም ህዝቢ (ኦፒንዮን ፖል) ከምዘመልክቶ፡ እቲ ጉዳይ ንርእይቶ ህዝቢ ብሪጣንያ ዝመቓቐለ ኮይኑ ይርከብ። ካብቶም ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ርእይትኦም ዝሃቡ 2,463 ሰባት፡ 44 ሚእታዊት ነቲ ፖሊሲ ዝደገፉ ኮይኖም፡ 27 ሚእታዊት ካብኦም \"ኣዝዮም\" ከምዝድግፍዎ ኣነጺሮም። እቶም 40 ሚእታዊት ድማ ነቲ ፖሊሲ ከምዝቃወሙ ገሊጾም (28 ካብኦም \"ኣዝዮም\" ከምዝቃወምዎ ዘነጸሩ'ዮም)። ኤርትራ እትርከቦም ሓያሎ ወገናት'ውን ነቲ \"ዘይሞራላዊ\" ዝበልዎ ፖሊሲ ዘለዎም ነቐፌታን ተቓውሞን ክገልጹ ምጽንሖም ይፍለጥ። ስርዓተ ዑቕባ ስደተኛታት ብሪጣንያ ኣብ ዓመት ኣስታት 1.5 ቢልዮን ፓውንድ ከምዝውድእ መንግስቲ ይገልጽ። ኣስታት 4.7 ሚልዮን ካብዚ መዓልታዊ ነቶም መንበሪ ኣባይቲ ዘይብሎም ስደተኛታት ንምዕቋብ ንሆቴላትን ሆስቴላትን ዝኽፈል'ዩ። ነቐፍቲ ግን እቲ ልዑል ወጻኢ ብሰንኪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዘይወድኦ ን10 ዓመታት ዝተዋህለለ ሕቶ ዑቕባ ምዃኑ'ዮም ዝምጉቱ። እቲ ገንዘብ ነቶም ካብ ኣፍጋኒስታን ዝወጹ ተሓባበርቲ ሓይልታት ኔቶ ዝነበሩ ዜጋታት ዝሽፍን ምዃኑ'ውን ይፍለጥ። ታሕተዋይ ሚኒስተር ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ቶም ፐርስግሎቭ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ 120 ሚልዮን ፓውንድ ንርዋንዳ ከምዝወሃብን፡ ተወሳኺ ክፍሊታት ክስዕብ ምዃኑን ገሊጹ ነይሩ። እቲ ክፍሊት ኣብ ዝተናወሐ እዋን፡ ገንዘብ ኣብ ምቑጣብ ዝሕግዝ ምዃኑ'ውን እቲ ሚኒስተር ዲኤታ ይገልጽ። ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ፡ ርዋንዳ ኣብ ካባቢ ርእሰከተማ ኪጋሊ ኣብ ዝርከብ ቦታ ነቶም ካብ ብሪጣንያ ዝሰጋገሩ ስደተኛታት ዝኸውን ሆስቴላት ኣዳልያ ኣላ። መንግስቲ ርዋንዳ፡ ኣብቲ ንፈተነ ዝካየድ ናይ 5 ዓመት ውጥን፡ ኣስታት 1,000 ስደተኛታት ክቕበል ከምዝኽእል ይገልጽ። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ግን፡ ርዋንዳ ውሑዳት ጠበቓታትን ተርጎምትን ዘለዋ ሃገር ብምዃና እቲ ቁጽሪ ልዕሊ ዓቕማ ክኸውን ከምዝኽእል ዘለዎ ስክፍታ ይጠቅስ። ኣፈኛ መንግስቲ ርዋንዳ፡ ዮላንደ ማኮሎ ብወገና፡ \"ርዋንዳ ተቐባሊት ሃገር ክትከውን ድሌት ስለዘለና፡ እቶም ስደተኛታት ዘድልዮም ኣልያ ክግበረሎም ምዃኑን፡ ኣብዚ ሂወቶም ክመርሑ ክኽእሉ'ዮም\" ክትብል ተዛሪባ ነይራ። ርዋንዳ፡ ድሮ 150 ሽሕ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣዕቊባ ምህላዋ ይፍለጥ። ቅድሚ ሕጂ'ውን፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ካብ ሊብያን እስራኤልን ተቐቢላ ነይራ። ገለ ስደተኛታት፡ ኣብ ሕርሻን ናይ ገዛ ንጥፈታትን ተዋፊሮም ከምዝሰርሑ ይግለጽ። እቶም ዝበዝሑ ግን ስራሕ-ኣልቦ ኮይኖም፡ በቲ ኣብ ወርሒ ዝወሃቦም 35 ፓውንድ ዝናበሩ'ዮም። መንግስቲ ርዋንዳ ግን፡ እታ ሃገር ካብቲ ኣብ 1994 ዘጋጠማ ግፍዕታት ምጽናት ዓሌት ወጺኣ፡ \"ተኣምራታዊ\" ቁጠባዊ ምዕባለ ከምዘርኣየት ይምጉት። እንተኾነ ግን፡ ካብቲ 13 ሚልዮን ዝበጽሕ ህዝባ እቲ 70 ሚእታዊት ኣብ ናይ ዕንጋሎ ሕርሻዊ እቶት ዝምርኮስ እዩ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cje8d971251o"} {"headline":"ፖል ካጋመ ንዝቕጽሉ 20 ዓመታት ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ድልየት ከምዘለዎ ሓቢሩ","content":"ፖል ካጋሜ ኣብቲ ን 2024 ክካየድ መደብ ዝተታሕዘሉ ምርጫ ንፕረዚደንት ከምዝወዳደር ኣብ ፈረንሳ ንዝርከብ መደበር ተለቪዥን ተዛሪቡ። ኣብ 2015 ነቲ ናይታ ሃገር ቕዋም (ሕገ-መንግስቲ) ክሳዕ 2034 ኣብ ስልጣን ክፀንሕ ከምዝፈቕደሉ ገይሩ ቀየርዎ እዩ። ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዝተገብረ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ 99 ሚእታዊት ናይቲ ድምጺ ብምርካብ ከም ዝሰዓረ ወግዓዊ ኣሃዛት የርእዩ። ካብታ ሃገር ወጻኢ ዝርከቡ ብዙሓት ሰባት ድማ እቲ ምርጫ ፍትሓዊ ኣይነበረን ክብሉ ነጺጎምዎ ነይሮም። ወዲ 64 ዓመት ሚስተር ካጋሜ፡ ዳግም ኣብ ምርጫ ክሳተፍ ድልየት እንተሃልይዎ ምስ ተሓትተ፡ \"ንተወሳኺ 20 ዓመት ክወዳደር እሓስብ። ኣብዚ ዝኾነ ጸገም የብለይን። ምርጫ ብዛዕባ እቶም መረጽቲ እዩ\" ኢሉ። \"እቲ ዘገርም ነገር ገለ ሰባት ብሓቂ ምግራሞም ኢዩ \" ክብል ዳይረክተር ሰብኣዊ መሰላት ማእከላይ ኣፍሪቃ ሉዊስ ሙጅ ንቢቢሲ ገሊጹ። \"ሩዋንዳ ይትረፍዶ ፖለቲካዊ ተቓዋሚ ምዃንሲ ንመንግስቲ ምቅዋም እውን ኣዝዩ ሓደገኛ ዝዀነላ ሃገር እያ።... እዚ ምልካዊ ስርዓት እዚ ኸኣ ንመጻኢ ዝቕጽል ስርዓት ክኸውን እዩ\" ይብል። ኣብ ኣሜሪካ ዝነብር ጠበቓን መምህር ዩኒቨርሲቲን ውሩይ ሩዋንዳዊ ነቓፊ ቻርለስ ካምባንዳ \"[ካጋሜ] ን20 ዓመት እንተቐጺሉ ሩዋንዳ ናይ ብሓቂ ገሃነም ክትከውን እያ\" ክብል ንቢቢሲ ርእይትኡ ሂቡ። ሩዋንዳውያን ድሮ ኣብ ፍርሒ ዝመልኦ ሃዋሁ ኸምዝነብሩ ዝዛረብ ሚስተር ካምባንዳ ፤ ገለ ሚንስትራት ድማ ኣብ ስርሖም ክቕፅሉ ዝደልዩሉ ምኽንያት ካብ ስልጣን ምስወረዱ ግዳይ ቕትለት ከይኾኑ ስለ ዝፈርሑ ከምዝኾነ ነጊሮምኒ ኢሉ። ፕረዚደንት ካጋሜ ግን ኣብቲ ኣብ ቐረባ ግዜ ኣብ ርእሲ ከተማ ኪጋሊ ኣብ ዝተገብረ ናይ ሓባራዊ ሃብቲ ዋዕላ ['ኮመን ዌልዝ'] ሩዋንዳ ሰብኣዊ መሰላት ከምተኽብር ኣበርቲዑ ሞጒቱ እዩ። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ብሪጣንያ ዕቝባ ንዝደልዩ ሰባት ናብ ሩዋንዳ ክትልእኽ ምዃና ዝሕብር ኣካታዒ መደብ ኣፍሊጣ ነይራ። ሕቡራት መንግስቲ ነዚ ምስ \"ሸቐጥ ንግዲ\" ብምምስሳል ከምዘይድግፎ ገሊጹ እዩ። ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ግን ዋላ ቦሪስ ጆንሰን ካብ ስልጣኑ እንተወረደ ነቲ ፖሊሲ ከምዝቕጽለሉ'ዩ ገሊጹ። ሚስተር ካጋሜ እቶም ዓመፅቲ ሰራዊቱ ነቲ ዓሌታዊ ፅንተት ደው ንምባል ምስ ሓገዙ እዩ ኣብ 1994 ስልጣን ሒዙ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ተሓላቕ ዕቤት ከምዝኾነ እንተሓበረ እውን ነቐፍቱ ግን ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኣጽኒዑ ኸም ዝሕዞ እዮም ዝዛረቡ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cg39k9j881xo"} {"headline":"ፈሊስየን ካቡጋ፡ ብጃምላዊ ቅትለት ዝጥርጠር ሩዋንዳዊ ናብ ፍርዲ ቀሪቡ","content":"ሓደ ካብቶም ቀንዲ ወደብትን መወልትን ናይቲ ኣብ 1994 ኣብ ሩዋንዳ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ህልቂት ዝዀነ ፈሊስየን ካቡጋ፡ ኣብ ዘ ሄግ ኣብ ዝርከብ ኣህጉራዊ መጋባእያ ሕቡራት ሃገራት ናብ ፍርዲ ቀሪቡ። ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ፈሊስየን ካቡጋ፡ ንቀቢላ ቱትሲ ንምቕታልን ንምውጋእን ጉጅለ ቀተልቲ ዝወደበን ሓንቲ መደበር ራድዮ ኣብ  ልዕሊ እቲ ቀቢላ ጽልኢ ዝዘርእ መደባት ከምእትዝርግሕ ዝገበረን ምዃኑ ገሊጾም። ኣብቲ ጃምላዊ ቅትለት ኣስታት 800,000 ዓሌት ቱትሲን ብመጠኑ እውን፡ ነቲ ኵነታት ዝቃወሙ ዝነበሩ ሁቱን ከምዝተቐትሉ ይእመን። ጠበቓታት ካቡጋ፡ ናብቲ ቤት ፍርዲ፡ ዓሚልና ገበነኛ ኣይኰነን ዝብል መከላኸሊ ኣቡቱታ'ኳ እንተቕረቡ፡ ንሱ ግን ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ፍርዲ ክቐርብ ኣይደለየን። እዚ ኣብ መወዳእታ 80ታት ዕድመኡ ዝርከብ፡ ኣብ ሓደ እዋን ሓደ ካብቶም ኣብ ሩዋንዳ ዝሃብተሙ ሰባት ዝነበረ ካቡጋ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ኣዝዮም ዝህደኑ ገበነኛታት ሰባት እዩ ነይሩ ። ካቡጋ ንኣስታት 26 ዓመት ተሓቢኡ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት እዩ ኣብ ፓሪስ ርእሰ ከተማ ፈረንሳ ተረኺቡ ተታሒዙ። እቶም ፈረንሳውያን መርመርቲ፡ ደድሕሪ ኣሰር ገሊኦም ደቁ ተኸታቲሎም እዮም ኣብ ጥቓ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ኣስኒረስ-ሱፐር-ሲን ኣብ ዝበሃል ቦታ፡ ኣብ ሳልሳይ ደርቢ ሓደ ቤት ሒዞምዎ። ንሱ፡ ፓስፖርት ሓንቲ ዘይትፍለጥ ኣፍሪቃዊት ሃገር ተጠቒሙ ብናይ ሓሶት መንነት እዩ ክነብር ጸኒሑ። ካቡጋ ናብ ፈረንሳ ቅድሚ ምእታው፡ ናቱን ናይ ስድራ ቤቱን ናይ ንግዲ ረብሓታት ኣብ ዘለወን ኬንያ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ይነብር ከምዝነበረ’ዩ ዝንገረሉ። ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ንሚስተር ካቡጋ፡ ኣብ ጃምላዊ ቅትለት ቱትሲ እቲ ዝሓየለ ኣጽዋር ኢሎም ዝገልጽዎ፡ ብሓንቲ መደበር ራድዮ ተጠቒምካ ዓሌተ ሁቲ ኣንጻር ቱትሲ ኣጽዋሮም ከልዕሉ ብዝተገብረ ጐስጓስ እዮም ዝኽሱዎ ። እታ መደበር ራድዮ፡ ንቱትሲ \"ድዱዕ\" ብዝብል ጽልኣዊ ቃላት ናይ ቅትለት መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፈት እዩ ዝንገር። ካብቶም ኣብ ሩዋንዳ ዝሃብተሙ ነጋዶ ዝነበረ ሚስተር ካቡጋ መቕተሊ ጎዞሞታት ብምምዋልን ጕጅለ ጽንተት ብምውዳብን እዩ ዝኽሰስ። \"ካቡጋ ነቲ ጃምላዊ ቅትለት ንምፍጻም ብረት ወይ ጠበንጃ ኣየድለዮን። ኣብ ክንድኡ ብብዝሒ ጎዞሞታት ብምቕራብ ንዕኡ ዝፍጽሙ ምሊሻ ብምስልጣን እዩ ነቲ ተግባር ፈጺሙዎ\" ክብል ኣኽባሪ ሕጊ ራሺድ ተዛሪቡ ። ንሱ ብ2020 ኣብ ቤት ፍርዲ ምስ ቀረበ ጠበቓታቱ፡ ብሰንኪ ኣካላዊ ዓቕሙ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ኣይክእልን እዩ ብምባል ናይ ይግባይ ጥርዓን ኣቕሪቦም ነይሮም። እንተዀነ እቲ ቤት ፍርዲ፡ ካቡጋ ዋላ'ውን ድኹም ይዅን እቲ መጋባእያ ኣሕጺሩ ጉዳዩ ክቕጽል ወሲኖም። ኣብ መኽፈቲ እቲ መጋባእያ፡ እቲ ላዕለዋይ ዳኛ፡ ሚስተር ካቡጋ ጽቡቕ ከምዘሎ፡ እንተኾነ ኣብቲ ተኣሲሩሉ ዘሎ ቤት-ማእሰርቲ ኰይኑ ንመስርሕ ፍርዱ ብቪድዮ ክከታተሎ ከምዝወሰነ ገሊጹ። ሚስተር ካቡጋ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ናይ ገዛእ ርእሱ ጠበቓ ክመርጽ ስለዘየፍቀደሉ፡ ኣብቲ ናይ ሕጂ ሕጋዊ ወኪሉ “ምትእምማን ከም ዘይብሉ”  መግለጺ ሂቡ። ንሱ ሓደ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ጃምላዊ ቅትለት ኢድ ኣለዎም ተባሂሎም ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝቐርቡ ሰባት እዩ። እቲ ዓቃቢ ሕጊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መርመራ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ቅሩብ ዝሕል ዝበለ'ኳ እንተዀነ ኣብ መወዳእታ ግን ፍትሒ ከምዝስዕር ዘርእይ እዩ ክብል ገሊጹ። እቲ ኣብ ታንዛንያ ዝመደበሩ፡ ንጉዳይ ሩዋንዳ ክርኢ ዝቘመ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን፡ ኣብ 2015 ቅድሚ ምዕጻዉ፡ ንልዕሊ 60 ዝኣኽሉ መራሕቲ ጃምላዊ ቅትለት ሩዋንዳ ፈሪዱ እዩ ። እቲ ዝተረፈ ጉዳያት ድማ ናብዚ ጉዳይ ካቡጋ ዝሰምዐ ዘሎ ቤት ፍርዲ ተመሓላሊፉ ኣሎ። ደያኑ ዘ ሄግ ጥዕና ካቡጋ ኣብ ሓደጋ ከእቱ ስለ ዝኽእል፡ ጉዳዩ ኣክንዲ ኣብ ታንዛንያ ዝረአ ኣብ ዘ ሄግ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ወሲኖሙሉ። እቲ ኣኽባር ሕጊ ኣብቲ ንዓመታት ክጸንሕ ዝኽእል መጋባእያ፡ ልዕሊ 50 መሰኻኽር ከቕርብ ትጽቢት ይግበረሉ። ካብቲ ጃምላዊ ቅትለት ዝደሓኑ ሰባት ካቡጋ ከይተፈርደ ከይመወት ስለ ዝፈርሑ ቅልጡፍ ፍትሒ ክረኽቡ ይጽውዑ ኣለዉ ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c6pzm2qydg7o"} {"headline":"ብሪጣንያ፡ ንሓተትቲ ዑቕባ ጉዳዮም ኣብ ሩዋንዳ ንክረአ ክትመልሶም እያ","content":"መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ገለ ሓተትቲ ዕቑባ ኣብ ርዋንዳ ኮይኖም ጉዳዮም ክከታተሉ ናብታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክወስዶም ትልሚ ከምዘለዎ ተገሊጹ፡፡ ጸሓፊት ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ ዩኬ ፕሪቲ ፓተል ምስ ሰብ መዚ ርዋንዳ ስምምዕ ቅድሚ ምፍራማ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ነቲ ትልሚ ዕላዊ ክገብሮ ትጽቢት ይግበር፡፡ ኢዲተር ቢቢሲ ሆም ማርክ ኢስቶን፡ ብመሰረት እቲ ውዕል መጻብቦ ኣቋሪጾም ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ሓዳር ዘይብሎም ሰብኡት ብሓይሊ ክውሰዱ ከምኽእሉ የረድእ፡፡ ነቲ ፖሊሲ ‘‘ጨካን’’ ክብል ዝገለጾ ካውንስል ስደተኛታት ግና: መንግስቲ ደጊሙ ክሓስበሉ ጸዊዑ፡፡ ሰልፊ ዕዮ ብወገኑ ‘‘ዘይሰርሕ፣ ዘይስነምግባራውን ጠገለ ዘይብሉን’’ ብምባል ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ሕጊ ኮቪድ ብምጥሓሱ ዝተውሃቦ ቅጽዓት ንምርስሳዕ ኮነ ተባሂሉ ዝተገበረ እዩ ኢሉ፡፡ ሊበራል ዲሞክራትስ ብወገኑ ብዙሕ ወጻኢ ዝሓትትን ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ደው ኣብ ምባል ኣበርክቶ ዘይብሉን ክብል ነቒፉ፡፡ በቲ ውዕል፡ መንግስቲ ርዋንዳ ኣብ መጀመርታ 120 ሚልዮን ፓውንድ ክኽፈሎ እዩ፤ ተቓወምቲ ግና ዓመታዊ ወጻኢ ናይቲ ሙሉእ መደብ ኣዝዩ ገዚፍ ከምዝኾነ ይሕብሩ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 28,526 ሰባት ብኣናእሽቱ ጀላቡ ንብመትረብ እንግሊዝ ብምቁራጽ ናብታ ሃገር ኣትዮም፡፡ ኣብ 2020 እቲ ቑጽሪ 8,404 ጥራሕ እዩ ነይሩ፡፡ ትማሊ ረቡዕ ኣስታት 600 ሰባት ብተመሳሳሊ መንገዲ ዝኣተዉ ኮይኖም፡ እቲ ቁጽሪ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት 1,000 ክበጽሕ ከምዝኽእል ቀዳማይ ሚኒስተር ጆንሰን ተዛሪቡ፡፡ ‘‘ዘይሕጋዊ ስርዓት ጎናጎኒ ክነቐጽል ኣይንኽእልን’’ ዝበለ ጆንሰን ‘‘ለውሃትና ብዙሕ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ንምሕጋዝ ዘለና ዓቕሚ ግን ክንድኡ ኣይኮነን’’ ኢሉ፡፡ ብተወሳኺ ሓለዋ መትረብ እንግሊዝ ናብ ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ክሰጋገር ምዃኑ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዕላዊ ክገብር ትጽቢት ይግበር፡፡ ዩኬ ኣብ ወጻኢ ሃገር ከይዲ ዕቑባ እተሳልጠሉ ማእከል ንምኽፋት ዝወጽእ ዘሎ ሕጊ ብፓርላማ እታ ሃገር ዝረኣይ ዘሎ ኾይኑ ብርቱዕ ተቓውሞ ከጋጥሞ ከምዝኽእል ይግመት፡፡ ነቲ ሕጊ ዝቃወም ሓላፊ ካውንስል ስደተኛታት ኢንቨር ሰለሞን እቲ መደብ ‘‘ ተወሳኺ ሰብኣዊ ስቅያት ክህሉ ዝገብር፣ ዕግርግር ዝፈጥርን ዓመታዊ ኣስታት 1.4 ቢልዮን ፓውንድ ወጻኢ ዝሓትትን እዩ’’ ይብል፡፡","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61104017"} {"headline":"ዙር ርዋንዳ 2022 'ኤርትራውያን ተቕዳደምቲ ጽቡቕ ውጽኢት ከመዝግቡ'ዮም' ኣሰልጣኒ ኣክሊሉ ሃይለ","content":"ኣኽሊሉ ሃይለ፡ ንብዓል ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ያቆብ ደበሳይ፡ መትከል ምስጉንን ነፍስሄር ደሴት ኪዳንነ ዘፍረየ ኮይኑ፡ ኣብ ሃገረ ርዋንዳ 'መይ ስታርስ' ዝተበሃለት ኮንቲነንታል ቲም ብምምስራት ከም ኣሰልጣንን ስፖርት ዳይረክተርን ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ'ዩ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60443288"} {"headline":"ስደተኛታት፡ ብሪጣንያ ኣብ ዝመጽእ 'ሳምንታት' ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ምስግጋር ክትጅምር ትኽእል'ያ ተባሂሉ","content":"ብመሰረት ብሪጣንያ ዘውጽኣቶ ሓድሽ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ናይ ምስዳድ ፖሊሲ፡ እቶም ቀዳሞት ኣብ ውሽጢ ናይ ሳምንታት ግዜ ክሰጋገሩ ከምዝኽእሉ መንግስቲ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ናብ ብሪጣንያ \"ብዘይሕጋዊ ኣገባብ\" ብምእታው ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት፡ ናብ ርዋንዳ ተሰገጊሮም ጉዳዮም ኣብኡ ክረአ ዝገብር ሓድሽ ፖሊሲ ወግዓዊ ኮይኑ'ሎ። እቲ ፖሊሲ ፈለማ ነቶም ካብ ፈረንሳ ብ'ኢንግሊሽ ቻነል' ናብታ ሃገር ዝሰገሩ ዘይተመርዓዉ ደቂ-ተባዕትዮ ዒላማ ዝገበረ ክኸውን'ዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን፡ እቲ ስጉምቲ \"ሂወት ብዙሓት ከድሕን'ዩ\" ብምባል፡ ንመርበባት ኣሰጋገርቲ'ውን ዝሰብር ምዃኑ'ዩ ዝምጉት። እንተኾነ ግን ተሓለቕቲ መሰላት ስደተኛታት፡ ነቲ ውጥን \"ሰብኣውነት ዝጎደሎ\" ክብሉ ይገልጽዎ ኣለዉ። ድሕሪ'ቲ ውሳነ፡ ሎሚ ዓርቢ ጥራይ ቁጽሮም ዘይተገልጸ ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ከምዝሰገሩ ጸብጻባት ገሊጾም ኣለዉ። ዳይረክተር ፖሊሲ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንድሪው ገሪፊስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ውሳነ ብፓርላማ ክጸድቕ ከምዘየድልዮን፡ ብመሰረት እቲ ዘሎ ናይ ኢሚግረሽንን ዑቕባን ሕግታት ክትግበር ከምዝኽእልን ተዛሪቡ። ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ \"ኣብ ውሽጢ ሰምንታት ወይ ሒደት ኣዋርሕ\" ክጅመር ከምዝኽእል'ውን ጠቒሱ። ዘይሕጋዊ ዋሕዚ እንተ ኣቋሪጹ ናብ ብሪጣንያ ዘእቱ \"ውሑስ፡ ሕጋውን ለጋስን ዓቢ ኣፍደገ ከርሑ\" ይኽእል'ዩ ድማ ኢሉ። እቲ ናብ ርዋንዳ ናይ ምስግጋር ውጥን፡ ሓደ ኣካል ናይቶም ነይቲ ብናኣሽቱ ጃላቡ ናብ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ስደተኛታት ንምግታእ ዝዓለመ ዝዓበየ ስትራተጂ'ዩ። ብመሰረት እቲ ሓድሽ ውሳነ፡ ሓይሊ ባሕሪ ብሪጣንያ ንማያት መትረብ እንግሊዝ ('ኢንግሊሽ ቻነል) ናይ ምሕላው ሓለፍነት ካብ ሓለዋ ዶባት ክርከብ'ዩ። ትማሊ እቲ ሓድሽ ውጥን ብወግዒ ኣብ ዝተገለጸሉ መዓልቲ ጥራይ፡ 562 ብ14 ጃላቡ ናብ ብሪጣንያ ክሰግሩ ከምዝኸኣሉ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 28,526 ስደተኛታት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ምስጋሮም ጸብጻባት የረድኡ። ኣብ 2020 ዝነበረ ቁጽሪ ሰገርቲ ድማ 8,404 ምዃኑ ይፍለጥ። ሓላፊ ሓለዋ ዶባት ብሪጣንያ ዝነበረ ቶኒ ስሚዝ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ግብራውነት ናይቲ \"ሕሉፍ\" ክብል ዝገለጾ ውጥን ንምግምጋም ሳምንታት ክወስድ ከምዝኽእል ይዛረብ። መንግስቲ ሓተትቲ ዑቕባ ብነፈርቲ ናብ ርዋንዳ ክወስድ ኣብ ዝፍትነሉ ግን ሕጋዊ ብድሆታት ከጋጥሞ ምዃኑ ገሊጹ። \"እንተኾነ ግን ነዘን ዝኣትዋ ዘለዋ ጃላቡ ንምዕጋት ካልእ ኣማራጺ እንተልዩ ርግጸኛ ኣይኮንኩን. . . ምኽንያቱ ገለ እንተዘይጌርና፡ ተወሰኽቲ ሰባት ክጥሕሉ'ዮም\" ክብል ተዛሪቡ። ቀዳማይ ሚኒስተር ጆንሰን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ስጉምቲ \"ውሑስን ሕጋው መስርሕ ዑቕባ ክህሉ ኣፍደገ\" ዝኸፍት ምዃኑ'ዩ ገሊጹ። ንቁጠባዊ ረብሓታት ዝኣትዉ ስደተኛታት ድማ ነቲ ናይ ዑቕባ መስርሕ ክጥቀምሉ የብሎምን ክብል ተሰሚዑ። ቢቢሲ ምስ ገለ ካብቶም ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ገማግም ፈረንሳ ዝጽበዩ ዘለዉ ስደተኛታት ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ በቲ ውሳነ ንድሕሪት ከምዘይምለሱ'ዮም ዝገልጹ። ገለ'ውን ርዋንዳ ካብተን ዝመጹለን ሃገራት ከምዘይትሓይሽ ተዛሪቦም። እንተኾነ ግን፡ ስክፍታታት ኣይፈጠረሎምን ማለት ኣይኮነን። ንጹር ሓበሬታ ስለዘይብሎም ግን ጉዕዝኦም ክቕጽሉ ምዃኖም'ዮም ዝሕብሩ። ልዕሊ 160 ተሓለቕቲ ማሕበራት ዝሓቖፈ ጉጅለ፡ መንግስቲ ነቲ \"ዘሕንኽን ጨካንን\" ውጥን ዝበልዎ ፖሊሲ ክስርዞ ጸዊዖም ኣለዉ። ሓላፊ ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ብሪጣንያ ኢንቨር ሶሎሞን፡ እቲ ውጥን ንዋሕዚ ስደተኛታት ዝገትእ ከምዘይኮነን፡ እኳ'ድኣ ተወሳኺ ስቓይ ዘስዕብ'ዩ ክብል ገሊጽዎ። መራሒ ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ ዕዮ ኪር ስታርመር ብወገኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ጆንሰን፡ ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ፖለቲካዊ ብድሆታት ንምህዳም ዝወሰኖ \"ዘይሰርሕ\" ውሳነ ክብል ነቒፍዎ'ሎ። ካልኦት ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት'ውን እቲ ፖሊሲ \"ኣፍደገ ዝልኩት\" \"ጨካን\" ስጉምቲ'ዩ ብምባል ተቓዊሞሞ ኣለዉ። ገለ'ውን እቲ መስርሕ ልዑል ወጻኢ ዘኸትል ከምዝኾነ'ዮም ዝገልጹ። ዘ ታይምስ ዝተባህለ ጋዜጣ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ንሓደ ስደተኛ ናብ ርዋንዳ ንምስዳድ ካብ £20,000 ክስብ £30,000 ፓውን ዝሓትት ምዃኑ ይግመት። መንግስቲ ኣውስትራልያ ኣብ 2021 ኣብ ዝተግበሮ ተመሳሳሊ መስርሕ ምስግጋር፡ 460 ሚልዮን ፓውንድ ብሪጣንያ ብምውጻእ፡ 239 ስደተኛታት ጥራይ ከሰጋግር ምኽኣሉ ተገሊጹ። ብኻልእ ወገን፡ ኩነታት ሰባዊ መሰላት ርዋንዳ'ውን፡ ምስቲ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ፍሉይ ቆላሕታ ረኺቡ'ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ርዋንዳ ፖለቲካዊን ሲቪላዊን፡ ከምኡ'ውን ናጽነት ፕረስ ብምግዳባ ነቒፉ ነይሩ። ርዋንዳ ድሮ ኣብ ሊብያ ዝነበሩ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ሱዳናውያን ሶማላውያንን የመናውያንን ዝርከብዎም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ተቐቢላ ምህላዋ ይፍለጥ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61121870"} {"headline":"ርዋንዳ፡ ንሰራሕተኛታቱ ኣብ ገረብ ኣሲሩ ዝገረፈ ቻይናዊ ን20 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ","content":"ቤት ፍርዲ ርዋንዳ፡ ንሓደ ሰባት ምስ ዝተተኽለ ዕንጨይቲ ብምእሳር ገሪፉ ኣሳቕዩ ዝተባህለ ቻይናዊ ማእሰርቲ በዪንሉ። እቲ ቤት ፍርዲ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ውሳነ፡ ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኽበ ሳን ሹጁን ን20 ዓመት ክእሰር ከምዝተበየነሉ ኣብቲ መጋባእያ ዝተሳተፈ ጋዜጠኛ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ሓደ ሰራሕተኛ ናይቲ ቻይናዊ ምዃኑ ዝተገለጸ ተመሳሳሊ ክስታት ዝቐረበሉ ርዋንዳዊ'ውን ን12 ዓመታት ማእሰርቲ ከምዝተፈረደ ተፈሊጡ። እቶም መግረፍቲ ዝወረዶም ግዳያት፡ ሰራሕተኛታት ናይቲ በቲ ቻይናዊ ዝውነን ኣብ ሩትሲሮ ዝተባህለ ከባቢ ዝርከብ ትካል ዕደና ኮይኖም፡ ስርቂ ፈጺሞም ብዝብል ከምዝገረፎም ጸብጻባት ገሊጾም። ኣብ ነሓሰ 2021፡ ሹጁን ነቶም ኣብ ገረብ ተኣሲሮም ዝነበሩ ግዳያት ክገርፎም ዘርኢ ሓደ ናይ ሰለስተ-ደቒቕ ቪድዮ ምስ ወፀ ኣብ መላእ ርዋንዳ ኣዘራራቢ ኮይኑ ነይሩ። ብሰንኩ ድማ፡ እቲ ቻይናዊ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ፡ ናይ ዋሕስ ገንዘብ ብምኽፋል ድማ ካብ ቀይዲ ወጺኡ ነይሩ። ብተግባራቱ ዝተቖጥዑ ሰራሕተኛታቱ እቲ መግረፍቲ ብቪድዮ ብምቕዳሕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘርጊሖሞ። ኤምባሲ ቻይና ኣብ ርእሰከተማ ኪጋሊ፡ ነቲ ኣብቲ ቪድዮ ዝተዓዘቦ \"ዘይሕጋዊ ተግባራት\" ከምዝኾነነ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ርዋንዳ የመልክት። መሰኻኽር ዓይኒ ኣብ መጋባእያ ናይቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ሹጁን መስቀል ብምስራሕ፡ ነቶም ብስርቂ ዝጠርጠሮም ሰራሕተኛታት ኣብኡ ኣሲሩ ከምዝገረፎም ምስክርነቶም ሂቦም።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61168818"} {"headline":"ሓድሽ ፖሊሲ ዑቕባ ብሪጣንያ ንሩዋንዳ ኣብ ዓይኒ ተሓለቕቲ መሰላት ክትኣቱ ይገብር","content":"ርዋንዳ፡ ብኣድማዕነት ኣሰራርሓ፡ በጻሕታ ይምሰጡላ እዮም። ርእሰ ኸተማ ኪጋሊ፡ ጽፉፍ፡ ጽሩይን ሓምላይ ትርኢት ምስ ብሉጽ መስመር ኢንተርነት ትውንን። ነፍስወከፍ ሰብ ግብሪ ክኸፍል እዩ ዝደሊ፤ ኣገልግሎታት ዘተኣማምኑ፡ ጽርግያታት ድሕነቶም ዝተሓለወ እዮም፤ እቲ መንግስቲ ከም ዝብሎ ድማ፡ \"ኣብ ዓለም ውሕስቲ ሃገር እያ\" - ርዋንዳ። ጉዳይ ለበዳ ኮሮና ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ ርዋንዳ፡ ስጕምትታት ምክልኻል ኮሮና ከተተግብር ግዜ ኣይወስደትን። 60% ካብ ህዝባ ክታበት ወሲዱ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ኣብታ ክታበት ኮሮናቫይረስ ብዙሕ ዘይብላ ኣህጉር ኣፍሪቃ ከም ዓቢይ ዓወት እዩ ዝጽብጸብ። እንተዀነ እዚ ክቱር ምእዙዝነት'ን ከም መርኣያ ድጉል ፍርሒ'ውን ይርአ እዩ። ናብ ኣብያተ መስተ ምኻድ፡ ኣካታዒ ኣርእስትታን ነቐፌታታትን ምልዓል፡ ብቐጥታ ብሰብ መዚ ጸጥታ'ታ ሃገር እዩ ዘጠምት፣ ጸብጻብ ብኡ ንብኡ ስለዝበጽሖም። ጸጥታዊ ስግኣት ዝፈጥሩ ዝተባህሉ ድማ ብሕሱም እዮም ዝተሓዙ። \"ልክዕ ስዊዘርላንድ ናይ ኣፍሪቃ እያ ትመስል፣ እንተዀነ ከቢድ መጽቀጥትን ራዕድን ዘለዋ ሃገር እያ\" ትብል እታ፡ \"ዱ ኖት ዲስተርብ\" እትብል ብዛዕባ ርዋንዳ ዝጸሓፈት እንግሊዛዊት ሚሸላ ሮንግ፣ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃለመጠይቕ። 'ኡሙጋንዳ' [ብቛንቛታ ሃገር ሓባራዊ ስራሕ] ብዝብል ዕዮ ማእቶት፡ ኣብ መወዳእታ ቀዳም ነፍስወከፍ ወርሒ፡ ኵሉ ሰብ ኣብ ከባቢኡ ወፈራ ጽሬት ይገብር፣ ጽርግያታት ይኵስተሩ፡ ርስሓት ይእከብ። ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ርዋንዳዊ ከም ዝበሎ፡ 'ኣብቲ ሓባራዊ ስራሕ 'ኡሙጋንዳ' ክትሳተፍ ዘገድድ ሕጊ የለን። ኰይኑ ግን፡ ስምካ ብሕማቕ ከይለዓል ትፈርሕ፣ ዝዀነ ሰብ ክሕስወልካ ይኽእል እዩ። ከም ሓደ ናዕበኛ እንተተፈሊጥካ ድማ ሽግር እዩ።' ትምህርቲ ምዝዋር መኪናን ቋንቋን እዚ ሕጂ ብብሪጣንያ ዝግበር ዘሎ ንስደተኛታት ዝምልከት ሓድሽ ውዕል፡ ብግቡእ ዝምሕደር ዘሎ ጉዳይ እዩ ዝመስል። ሓተትቲ ዑቕባ ዝሰፍሩሉ ቦታ፣ ከምቲ ዝውቱር - ብቴዳታትን ፕላስቲካትን ዝተሃንንጸ መዓስከራት ኣይኰነን። እታ 13 ሚልዮን ህዝቢ ብጻዕቂ ዝነብራ ርዋንዳ፡ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብዝገበረቶ ስምምዕ፡ ካብ 2019 ኣትሒዛ፡ ልዕሊ 900 ዝዀኑ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ካብ ሊብያ ወሲዳ'ላ። እዞም ስደተኛታት፡ ጋሾራ ኣብ ዝበሃል ካብ ኪጋሊ ኣስታት 60 ኪሎ ሜትር ርሒቝ ኣብ ዝርከብ ቦታ እዮም ዝነብሩ ዘለው። ኮሚሽን ስደተኛታት ከም ዝብሎ፡ እቲ ቦታ መዓስከር ስደተኛታት ዘይኰነስ፡ ግዝያዊ መሰጋገሪ እዩ። ልዕሊ ፍርቂ ካብኣቶም'ውን ድሮ ናብ ሃገራት ሽወደን፡ ካናዳ፡ ነርወይ፡ ፈረንሳን በልጂየምን ከይዶም ኣለው። እዚ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመሓደር ቦታ፡ ኣብ ሊብያ ዝተፈላለየ ብሰንኪ ዝወረዶም ሕማቕ ኵነታት ዝሳቐዩ ሰባት ዝሕግዙሉ፣ ንሓድሽ ሂወቶም ክገጥሙ ዘኽእሎም ክእለታት ዝምሃሩሉን ካልእን ዘተግብር ቀዋሚ ቅርጺ ኣሰራርሓ ኣለዎ። እንተዀነ፡ ከምዚ ሕጂ ብብሪጣንያ ዝትግበር ዘሎ መስርሕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብቤልጂየም ቀሪቡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ተነጺጉ እዩ። ኣብዚ እዋን'ዚ ኣፍሪቃ፡ ን 85% ካብ ስደተኛታት ዓለም ጸይራ'ላ፣ \"15% ጥራይ ከኣ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ተዓቚቦም ኣለው\" ትብል ሚሸላ። እዚ፡ \"እከይን ዘይሞራላውን ውዕል እዩ\" ትብል ሚሸላ ብዛዕባ'ዚ ሓድሽ ውዕል። \"ነቶም ስደተኛታት መጠንቀቕታ ንምሃብ ጥራይ እዩ። ዝዀነ ካብ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ግፍዒ ዝስደድ ተመሊሱ ኣብ ርዋንዳ ክሳቐ እዩ\" ማለት ምዃኑ ትዛረብ። ዘይከም መግለጺ ኮሚሽን ስደተኛታት፡ ብሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ዝወጸ ውጥን ከም ዘመልክቶ ግን፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ርዋንዳ ንነዊሕ ግዜ ክጸንሑን ኣብኡ ናብራኦም ከጣጥሑን ምግባር እዩ። ርዋንዳ ክንደይ ዝኣኽሉ ስደተኛታት ክትቅበል ምዃና ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኰነን። ቦሪስ ጆንሰን፡ ኣብ ዝስዕብ ዓመታት፡ 'ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት' ክግዕዙ ምዃኖም ኣሚቱ ነይሩ። ሚሸላ ሮንግ ከም ዝገለጸቶ፡ ካብ ኪጋሊ ወጻኢ ዝነብር ህዝቢ፡ ድኻን፡ ንነፍሰወከፍ ስድሪ መሬቱ እናሓረሰ ዝነባበርን እዩ፤ ስለዚ ንስደተኛታት ክጸውር ዝኽእል ኣይኰነን። ክሲ ዩ-ትዩበራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሸሞንተ ተቓወምቲ መንግስቲ ርዋንዳ ዝዀኑ ዩ-ትዩበራት ከም ዝተኸሰሱ፡ ሂዩማን ራይትስ ዎች ይገልጽ። 'ምጽራይ ሻውላት' ኣብ ዝብል ፕሮጀክት ርዋንዳ፡ ወተሃደራት ብሓይሊ ንነበርቲ ከጋፍዑ እንከለው ዝሰኣለን ዝነቐፈን ሓደ ዩ-ትዩበር፡ ሸውዓተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ። ካብታ ሃገር ሃዲሞም ዝወጽኡ ተቓወምቲ፡ ብኣባላት ጸጥታ ርዋንዳ ኣብ ወጻኢ ከም ዝህደኑን ከም ዝቕተሉን፡ ወይ ከኣ ናብ ፍርዲ ከም ዝቐርቡ ይግበር። ፖል ሩሰሳባኘ፡ ኣብ እዋን ጃምላዊ ህልቂት ርዋንዳ ህይወት 1,000 ሰባት ዘድሓነ ማናጀር ሆቴል፡ [እታ 'ሆተል ርዋንዳ' እትብል ህብብቲ ፊልም ዝተመስረተትሉ ዛንታ] ብኸምዚ መገዲ ኣብ ፍርዲ ቀሪቡ እዩ። ድሕሪ'ቲ ህይወት ልዕሊ 800,000 ርዋንዳውያን ዝቐዘፈ ህልቂት፡ ሩሰሳባኘ ዜግነት በልጂየም ሒዙ፡ ህቡብነቱ ድማ ኣንጻር ፕረዚደንት ካጋመ ክጥቀመሉ ተሰሚዑ እዩ። እንተዀነ ስድራቤቱ ከም ዝብልዎ፡ ኣብ 2020 ብዱባይ እናሓለፈ እንከሎ ብኣባላት ጸጥታ ርዋንዳ ተጨውዩ ናብታ ሃገር ተወሲዱ፣ 'ተቓወምቲ ብምድጋፍ' ተኸሲሱ ድማ ን25 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ። ጓሉ ካሪን ካኒምባ ከምእትብሎ፡ 'እዚ፡ ርዋንዳ ንሰብኣዊ መሰል ክብሪ ከምዘይብላ ዘርኢ እዩ፡ እታ ሃገር ብምልኪ እትግዛእ፡ መሰል ምዝራብ ዘይብላ፣ ዲሞክራሲ ዘይብላ እያ' ትብል። ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተገብረ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ ካጋመ ብ 99% ተዓዊቱ ምባል ንባዕሉ መርኣያ ኢ-ዲሞክራሲያውነት እዩ። ፍቕሪ ርዋንዳን ዓቃባዊ ሰልፊ ብሪጣንያን እቲ ምኽንያት፡ ምስቲ ቈማት፡ ግሩም፡ ደጋፊ ኣርሰናልን ህንጡይን ዝዀነ መራሒ [ፖል ካጋመ] ዝተኣሳሰር ክኸውን ይኽእል እዩ። ብዙሓት፡ ነቲ ርዋንዳ እትፍለጠሉ ጃምላዊ መቕዘፍቲ ደው ከብሉ ብዘይምኽኣሎም ሕልናዊ ወቐሳ ዝስምዖም ምዕራባውያን መራሕቲ ኸኣ፡ ብእኡ ምሱጣት እዮም። \"ንሱ፡ ንምዕራባውያን መራሕቲ ዘገድስ ጉዳያት ኣብ ምልላይን ኣድማዕቲ መፍትሒታት ኣብ ምምጻእን ሓያል እዩ\" ትብል ሚሸላ። ነቲ ወተሃደራት ርዋንዳ፡ ጂሃዳውያን ንምቅላስ ብዝብል ናብ ሞዛምቢክ ዝተላእኩሉ ነጥቢ ከም ኣብነት ብምዝካር። ዝሓለፈ ዓመት፡ \"ንስለ ሰብኣውነት\" ኢሉ መዓስከራት ስደተኛታት ክኸፍት ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ። ሓደ ካብ ውሑዳት ተቓወምቲ ሰልፊታት ርዋንዳ፡ 'ኵሉ ናይ ገንዘብ ጉዳይ እዩ፡' ኢሉ ነቲ ኵነታት ይገልጾ። ምዕራባውያን ሃገራት፡ በቲ ርዋንዳ ተርእዮ ዘላ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕብየት፣ ምጥፋእ ብልሽውናን ምሱጣት እየን። ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ግን ብለገስቲ ትካላት ወትሩ እዩ ዝለዓል። ፍቕሪ ርዋንዳን ዓቃባዊ ሰልፊ ብሪጣንያን ኣብ 2007 እዩ ዝጅምር። ሚኒስተር ልምዓት ነበር፡ ነፍስወከፍ ነሓሰ ንዅሎም ኣባላት ባይቶ፡ 'ኣብ ልምዓታዊ ፕሮጀክትታት ንምስራሕን ስልጠና ክሪከትን ንኽወስዱ የወሃህድን ጕዕዞ የሳልጥን። እቲ ምስዚ ፕሮጀክት ዝተኣሳሰር 'ግብረሰናይ ክሪከት' ገንዘብ ብምውጻእ፡ 'ጋንጋ ክሪከት ስታድዩም' ካብ ኪጋሊ ቅሩብ ውጽእ ኢሉ ከም ዝስራሕ ገይሩ። ገለ ተንተንቲ፡ ምስቲ ኣብ ዝመጽእ ሰነ እታ ሃገር እተእንግዶ ኣኼባ ሃገራት ሓባራዊ ሃብቲ ብምትእስሳር፡ እዚ ውዕል ስደተኛታት ብሪጣንያ ድማ፡ ኣካል ናይቲ ዝተወሳሰበ ምስሊ ርዋንዳ ናይ ምቕያር ስትራተጂ ብሪጣንያ ገይሮም ይርእይዎ። ኣፈኛ መንግስቲ ርዋንዳ፡ 'ዝዀነ ብሰንኪ ምግላጽ ሓሳብ ዝተኣሰረ የለን፡' ብምባል፡ ንዅሉ ኣንጻር'ታ ሃገር ዝቐርብ ክስታት ትነጽግ። \"እዞም ሰባት ካብተን ዝመጽኡወን ሃገራትን ዝሓለፍዎን ዝነበርዎን ኵነታት ንርድኦ ኢና፣ ርዋንዳ ድማ ብውሕስነት ክነብሩላ ዝኽእሉ ዓዲ እያ። መሰሎም ተሓልዩን ብኽብረትን ክነብሩ፣ ክእለቶም ከማዕብሉን ዕድል ክረኽቡን ይኽእሉ እዮም፡\" ትብል ዮላንዳ ማኮለ፡ ንቢቢሲ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61123721"} {"headline":"ዙር ርዋንዳ 2022፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ቅጥዕታት ጥዕና ብዘይምምልኣ ኣይክትሳተፍን'ያ","content":"ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣብቲ ካብ 20 ክሳብ 27 ለካቲት 2022 ዝካየድ ዙር ርዋንዳ ከም ዘይትሳተፍ ኣዳለውቲ እቲ ውድድር ብትዊተር ሓቢሮም። መርበብ ሓበሬታ እቲ ዙር፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንቅጥዕታት መመርሒታት ጥዕና እቲ ውድድር ስለዘየማለአት ኣብቲ ውድድር ከም ዘይትሳተፍ ሓቢሮም ኣለዉ። ፕረዚደንት ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ሃገረ ርዋንዳ ሜሩንዚ ዓበደላ ንቡኩራት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣመልኪቱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት እቲ ምኽንያት ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ክታበት ጸረ ኮሮናቫይረስ ዘይወሰዱ ከም ዝኾነ ገሊጹ። ሜሩንዚ ዓበደላ \"እቲ ምኽንያት ብዩሲኣይን [UCI] ብኣናን ንዝርገሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝሕግዝ ሕጋጋት ወጺኡ ኣሎ። እቲ ሕጊ እንታይ እዩ ዝብል፡ ዝኾነ ኣብቲ ውድድር ዝሳተፍ ተጻዋታይ ይኹን ኣባል ጋንታ ዝተኸተበ ክኸውን ከምዘለዎ ኣብቲ ሕጊ ሰፊሩ ኣሎ። ንሕና ከምዝተረዳኣና ኸኣ ኣብ ኤርትራ ጉዳይ ክታበት ቆላሕታ ዘይተውሃቦ ጉዳይ እዩ\" ኢሉ። ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ክታበት ዘይጀመራ ውሑዳት ሃገራት ኮይና፡ እታ ነዚ ውድድር ተካይድ ዘላ ርዋንዳ ግን ብብዝሒ ክታበት ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ቀዳማይ ተሰሪዓ ዘላ ሃገር እያ። ኣብታ ሃገር 16 ሚልዮን ብልቓጥ ክታበት ክዝርግሕ እንከሎ 5.44 ሚልዮን ካብ ህዝባ ምሉእ ንምሉእ ዝተኸተበ እዩ፡ እዚ ማለት ካብ ብዝሒ ህዝባ እቲ 42 ሚኢታዊት ክልተ ግዜ ከምዝተኸተበ ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር። ሜሩንዚ ዓበደላ፡ ኣብ ርዋንዳ ዘይተኸተበ ሰብ ናብ ህዝባዊ ቦታታት ክኣቱ ከም ዘይፍቀዶ'ዩ ንቢቢሲ ሓቢሩ \"ኣብዚ ኣብ ርዋንዳ ንተቐዳደምቲ ብሽክለታ ጥራይ ዘይኮነ ዝኾነ ዘይተኸተበ ሰብ ነቲ ቫይረስ ንኸየላብዖ ናብ ህዝቢ ብብዝሒ ዝእከበሉ ቦታታት ክኣቱ ኣይፍቀዶን እዩ\" ኢሉ። ብምስዓብ \"እዚ ሕጊ ኸኣ ንኹሉ ማዕረ እዩ ንኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝኾነት ካልእ ሃገራዊት ጋንታ፡ ወይ ክለብ ትኹን ውልቀ ተጻዋታይ ነቲ ብኣናን ብዩሲኣይን ወጺኡ ዘሎ ሕጊ ከማልእ እንተዘይክኢሉ ኣብዚ ዙር ክወዳደር ኣይክንፈቕደሉን ኢና\"። እዚ ብዩሲኣይ ኣፍልጦ ተዋሂብዎ ንመበል 14 ግዜ ክካየድ ውጥን ወጺእዎ ዘሎ ውድድር ካብ 2019 ጀሚሩ ናብ 2.1 ብዩሲኣይ ዝውሃብ መለክዒ [ሬስ ካታጎሪ] ምስ ተሰጋገረ፡ ምስ ዙር ጋቦን ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ ማዕረ ብምዃን ሓደ ካብ ዝሓየለ ዙራት ናይ ኣፍሪቃ እዩ። ኣብ 2019 መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣብ 2020 ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ 2021 ኸኣ ስጳኛዊ ክሪስትያን ሮድሪገዝ ተዓዊተሙሉ ምንባሮም ዝዝከር እዩ። ብዘይካ እዚ ዳነኤል ተኽለሃይማኖት'ውን ኣብ ቦኽሪ ሱታፌ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዙር ርዋንዳ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ኮይኑ ምንባሩ ይዝከር። ኤርትራውያን ኣብ ዙር ሩዋንዳ ዓብላሊ ስም ዘለዎም ኮይኖም ኣብ ኩሉ ስታፌኦም ብሓፈሻ 24 ናይ መድረኽ ዓወታት ኣመዝጊቦም ይርከቡ። ብኩራት ሃገራዊት ጋንታ ንውድድር ዙር ርዋንዳ ጣዕሙ ከየጉድሎ ኣይየስግእንዶ ኣብ ዝብል ሕቶ ሜሩንዚ ዓበደላ እወ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል'ዩ ብምባል'ዩ መልሲ ሂቡ። \"ኤርትራውያን ተቀዳዳምቲ ኣብዚ ሃገር ብዙሕ ደጋፊ እዩ ዘለዎም፤ ብዙሕ ዓወታት'ውን ኣመዝጊቦም እዮም። ኣብዚ ወድድር ዘይምስታፎም ኸአ ጽቡቕ ኣይስምዓናን'ዩ\" ኢሉ። ብምስዓብ \"እቲ ጸገም ግን እታ ሃገር ወይ ኤርትራውያን ስለዝኾኑ ኣይኮኑን ዘይሳተፉ ዘለዉ፡ ብግደ ሓቂ ብዙሓት ፕሮፌሽናላት ተጻወትቲ ኣብ ደገ ኣለዉዎም። ንሶም ዝተኸተቡ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፤ ስለዚ ንዐኦም ጠርኒፎም ብምምጻእ ክወዳደሩ ዝኽእሉ ይመስለኒ። ዝተኸተቡ እንተኮይኖም ንዓና ጸገም የብልናን\" ብምባል ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ዙር ርዋንዳ ክተሳተፍ ዘለዎ ድሌት ገሊጹ። ብዛዕባ እዚ ብወገን ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ዝተውሃበ ሓበሬታ የለን። ኣብቲ ዙርዝሳተፋ ጋንታታት ዎርልድ ቱር፡ ኢስራኤል ስታርት ኣፕ ነሽን። ፕሮ ቲም፡ ቶታል ዳይረክት ኢነርጂ [ፈረንሳ]፡ ቢኤንድቢ ሆቴልስ [ፈረንሳ]፤ ቲም ኖቮ ኖርዲክ [ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ]፡ ኣንድሮኒ ግዮካሊ [ጣልያን]፡ ቡርጎስ ቢኤች [ስጳኛ]። ዩሱኣይ ኮንቲነንታል ቲም፡ በንዲክሽን ሳይክሊንግ ቲም [ርዋንዳ] ፕሮ ታች ቲም [ደቡብ ኣፍሪቃ]፡ ባይክ ኤይድ [ጀርመን]፡ ቲኤስጂ ተራንጉኑ [ማሊዥያ]፡ ቲም ኮፕ [ኖርወይ]፡ ዋይልድ ላይፍ ጀነረሽን [ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ]፡ ቲም ኤስከይሴስ [ጀርመን]፡ ታርተሌቶ ኣይዞረክስ [በልጂም]። ሃገራውያን ጋንታታት: ርዋንዳ፡ ኣልጀርያ፡ ሞሮኮን ዓባይ ብሪጣንያን። እቲ ውድድር ሸሞንተ መድረኻት ዝሓዘ ኮይኑ ተጻወትቲ ኣብ ሸሞንቲኡ መድረኻት 933.2 ኪሎ ሜተር ክሽፍኑ'ዮም። ቀዳማይ መድረኽ፡ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ 4 ኪሎ ሜተር ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ካልኣይ መድረኽ፡ ኪጋሊ- ርዋማንጋን 148.3 ኪሎሜተር ሳልሳይ መድረኽ፡ ኪጋሊ- ሩባቩ 152 ኪሎ ሜተር ራብዓይ መድረኽ፡ ኪጋሊ- ጂኩምቢ 124.3 ኪሎ ሜተር ሓሙሻይ መድረኽ፡ ሙሃንጋ-ሙሳንዘ 124.7 ኪሎ ሜተር ሻዱሻይ መድረኽ፡ ሙሳንዘ-ኪጋሊ 152 ኪሎ ሜተር ሻውዓይ መድረኽ፡ ኪጋሊ- ማውንት ኪጋሊ 152.6 ኪሎ ሜተር ሻሙናይ መድረኽ፡ ኣብ ውሽቲ ኪጋሊ 75.3 ኪሎ ሜተር","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60167252"} {"headline":"ዙር ርዋንዳ 2022: ናትናኤል ተስፋጽዮን ራብዓይ ሄኖክ ሙሉብርሃን ሻዱሻይ ኮይኖም ዛዚሞም","content":"ሎሚ ሰሉስ ዝተኻየደ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ካብ ከተማ ኪጋሊ ናብ ከትማ ሩባቩ 155.9 ኪሎሜትር ዝዝርጋሕ ከም ሙሃንዘን ሩባቡን ዝኣመሰላ ዞባታት ብምስንጣቅ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ኣብ ደንደስ ቀላይ ኬቩ እዩ ተዛዙሙ። ኣብቲ ሽውዓተ ተጻወትቲ ካብ ዓባይ ጉጅለ ተፈንጪሎም ብቕጽበታዊ ውድድር ዝዛምዎ ጸወታ፡ ኮሎምብያዊ ቫለንሽያ ጆናታን ካብ ኣንድሮኒ ጅዮካቶሊ ቀዳማይ፡ ላውረንስ ኣክሰል ካብ ቢ ኤንድ ቢ ሆቴልስ ካልኣይ፡ ስጳኛዊ ማድራዞ ኣንገል ካብ በርጎዝ ቢኤች ሳልሳይ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ካብ ኣንድሮኒ ጅዮካቶሊ ራብዓይ ብምዃን ውድድሮም ዛዚሚም። ምስታ ተፈንጪላ ኣብ ቅድሚት ዝወዓለት ጉጀለ ዝንበረ ሄኖክ ሙሉብርሃን ኸኣ ሻዱሻይ ውጺኡ። እዛ መድረኽ እታ ዝነውሐት መድረኽ ኮይና ተረርቲ ዓቐበታት ዘለዋ'ያ ነይራ። እቶም ኣብ ናይ ዓቐበት ሓያላት ዝኾኑ ተቐዳደምቲ ክኸስቡላ ከምዝኽእሉ ኸኣ ብኣጋ ተገሚቱ ነይሩ'ዩ። ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ኣብዚ ውድድር ካብ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣፍሪቃውያን እቲ ዝበለጸ ግዜ ብምምዝጋብ ቀዳማይ ክኸውን እንከሎ ሄኖክ ሙሉብርሃን ካልኣይ ተሰሩዑ ኣሎ። ንመንእሰያት ኣብ እትውሃብ ጻዕዳ ማልያ'ውን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ሄኖክ ሙሉብርሃንን ንተጻዋታይ ቢ ኤንድ ቢ ላውረን ኣክዘል ስዒቦም ካልኣይን ሳልሳይን ተሰሪዖም ኣለው። ኣብ መበል 115 ኪሜ ኣብ ዝነበረ ናይ ዓቐበት ነጥቢ ዘውህብ ቅጽበታዊ ውድድር፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ናትናኤል ተስፋጽዮንን ሄኖክ ሙሉብርሃንን ተመራሪሖም ቀዳማይን ካልኣይን ኮይኖም ኣትዮም። ምስታ ዓባይ ጉጅለ ዝነበሮም ፍልልይ'ውን ክሳብ ሰልስተ ደቒቕን ፈረቓን ክግፍሕዎ ክኢሎም ነይሮም'ዮም። ጸወታ ክዛዘም 12 ኪሎሜትር ኣብ ዝተረፈሉ ግን እቲ ፍልልይ ናብ 2 ደቒቕን 25 ካልኢትን ወሪዱ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ እታ ሽውዓተ ተቐዳደምቲ ዝነበርዎ ጉጀለ 17 ካልኢት ከሲባ ውድድራ ዛዚማ። ኣብ ብጫ ማልያ ወዲ ጋንትኡ ንናትናኤል ተስፋጽዮን ቫለንሽያ ጆናታን ንውድድሩ ብ7 ሰዓትን፡ 27 ደቕቅን 22 ካልኢትን ብምዝዛም ብጫ ማልያ ክርከብ እንከሎ ናትናኤል ተስፋጽዮን ካብ ጆናታን ብ13 ካልኢት ድሒሩ ኣብ ራብዓይ ተሰሪዑ ኣሎ። ሄኖክ ሙሉብርሃን'ውን ካብ ቀዳማይ ብ20 ካልኢት ድሒሩ ኣብ ሻዱሻይ ታርታ ሒዙ ኣሎ። ሄኖክ ኣብ ናይ ትማሊ ውድድር'ውን ራብዓይ ምውጽኡ ይዝከር። ትማሊ ኣብ ዝተኻይደ ናይ 148 ኪሎሜተር ርሕቐት ዝሸፈነ፡ ብቕጽበታዊ ውድድር ኣብ ዝተዛዘመ ጸወታ፡ ሳንዲ ካብ ዳይረክት ኢነርጂ ንውድድሩ ብሰለስተ ሰዓት፡ 25 ደቒቕን 28 ካልኢትን ብምዝዛም ቀዳማይ፡ ላውረንስ ካብ ቢ ኤንድ ቢ ሆተሊስ ካልኣይ፡ ቫለንሽያ ጆናታን ካብ ድሮን ሆፐር ሳልሳይ ከምኡ ኸኣ ኤርትራዊ ሄኖክ ሙሉብርሃን ርብዓይ ብምኻን ውድድም ምዛዛሞም ዝዝከር'ዩ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60479595"} {"headline":"ዙር ርዋንዳ 2022፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ መትከል እዮብን ሄኖክ ሙሉብርሃንን ኣብ ዙር ርዋንዳ ክሳተፉ'ዮም","content":"ምስ ኢጣልያዊት ጋንታ ድሮን ሆፐር ዝወዳደር ዕዉት ብጫ ማልያ ዙር ርዋንዳ 2020 ናትናኤል ተስፍጽዮን ኣብ ዙር ርዋንዳ 2022 ክሳተፍ ምኳኑ ጋንትኡ ኣፍሊጣ። ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ኣብ ዙር ርዋንዳ 2020 ብዘይካ ብጫ ማልያ፡ ንዝበለጸ መንእሰይ ትውሃብ ጻዕዳ ማልያ'ውን ተሸሊሙ ምንባሩ ዝዝከር'ዩ። ኣብ ዙር ጋቦን ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ 2020'ውን ካብ ዕዉት ብጫ ማልያ ብሓንቲ ካልኢት ጥራይ ድሒሩ ካልኣይ ኮይኑ ውድድሩ ክዛዝም እንከሎ፡ ኣብቲ ውድድር ንዝበለጸ መንእሰይ ትውሃብ ጻዕዳ ማልያ ክዕወተላ እንከሎ ኣብ ኣንበሳ ዓቐብ ኸኣ ሓሙሻይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ። ኣብዚ ካብ 20 ክሳብ 27 ለካቲት ዝካየድ ዙር ርዋንዳ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ መትከል እዮብን ሄኖክ ሙሉብርሃንን መምስ ጋንትኦም ኮይኖም ክወዳደሩ'ዮም። ካብ 2018 ጀሚሩ ምስ ትራጋጋኑ ፖሊጎን ተጠርኒፉ ዝወዳደር ዘሎ መትከል እዮብ ሎሚ ዓመት ን8ይ ግዚኡ'ዩ ኣብ ዙር ርዋንዳ ዝሳተፍ ዘሎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣብ ዙር ርዋንዳ ከም ዘይትሳተፍ ኣዳለውቲ እቲ ውድድር ሓቢሮም ነይሮም። መርበብ ሓበሬታ እቲ ዙር፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንቅጥዕታት መመርሒታት ጥዕና እቲ ውድድር ስለ ዘየማለአት ኣብቲ ውድድር ከም ዘይትሳተፍ ገሊጹ'ዩ። መትከል እዮብ፡ ኣቀዲሙ ኣብ ዝተሳተፎ ዙር ርዋንዳ 5 ግዜ ናይ መድረኽ ዕዉት ክኸውን ክኢሉ እዩ። ኣብ 2013 ኣብ 6ይ መድረኽ፣ ኣብ 2015 ኣብ 7ይ መድረኽ፣ ኣብ 2016 ኣብ 5ይ መድረኸ ኣብ 2017 ኸኣ ንራብዓይን ንሻድሻይ መድረኻት ክዕወተለን ክኢሉ። መትከል ኣብ ዙር ርዋንዳ ኣብ 2016 ከምኡ'ውን 2017 ኣብ ብጫ ማልያ ካልኣይ ኮይኑ ዝዛዘመን ኣብቲ ውድድር ዓቢ ስም ዘጥረየን ተቐዳዳማይ'ዩ። መትከል፡ ኣብ 2021 ከምኡ'ውን ኣብ 2020 ምስ ጋንታ ትራንጋኑ ፖሊጎን፡ ኣብ 2017 ከምኡ'ውን 2016 ምስ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ዳይመንሽን ዳታ፣ ኣብ 2015 ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ኣብ 2013 ከምኡ ኸኣ 2012 ኸኣ ምስ ጋንታ ኣስቤኮ ብምኻን'ዩ ኣብ ዙር ርዋንዳ ተሳቲፉ። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብደረጃ ሃገር ቢንያም ግርማይ ኸኣ ብውልቁ ዩሲኣይ ኣብ 2021 ካብ ኣፍሪቃ ዝበልጽ ከም ዝበሎም ዝዝከር ኮይኑ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብዚ ሓደ ካብ በዳህቲ ውድድራት ኣፍሪቃ ዝኾነ ዙር ርዋንዳ ምብኳራ ኣብ ደረጃኣ ብዙሕ ከኽስራ ከም ዝኽእል ብዙሓት ይዛረቡ። ዙር ርዋንዳ ኣብ 2019 ደረጅኡ ናብ 2.1 ክብ ካብ ዝብል ኣብ 2019 መርሃዊ ቅዱስ፣ ኣብ 2020 ናትናኤል ተስፋጽዪን ክዕወትሉ እንከለዉ፡ ኣብ 2021 ኸኣ ስጳኛዊ ክሪስትያን ሪድሪገዝ ተዓዊትሉ። ዳንኤል ተኽለሃይማኖት'ውን ኣብ 2010 ዕዉት ዙር ርዋንዳ ኮይኑ ምንባሩ ይዝከር። ዎርልድ ቱር፡ እስራኤል ስታርት ኣፕ ኔሽን ፕሮ ቲም፡ቶታል ዳይሬክት ኢነርጂ [ፈረንሳ]፣ ቢ ኤንድ ቢ ሆቴልስ [ፈረንሳ]፣ ቲም ኖቮ ኖርዲክ [ኣመሪካ]፣ ኣንድሮኒ ግዮካሊ [ጣልያን]፣ ቡርጎስ ቢኤች [ስጳኛ]። ዩሲኣይ ኮንቲነንታል ቲም፡ ሃገራውያን ጋንታታት:ርዋንዳ፣ ኣልጀርያ፣ ሞሮኮን ዓባይ ብሪጣንያን እቲ ውድድር ሸሞንተ መድረኻት ዝሓዘ ኮይኑ ተወዳደርቲ 933.2 ኪሎ ሜትር ክሽፍኑ'ዮም።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60385196"} {"headline":"ናትናኤል ተስፋጽዮን ዕዉት ብጫ ማልያ ዙር ርዋንዳ 2022 ኮይኑ","content":"20 ለካቲት ዝጀመረ መበል 14 ዙር ርዋንዳ 2022 ሎሚ ብዓወት ናትናኤል ተስፋጽዮን ተዛዚሙ። ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብዚ ሎሚ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ ዝተኻይደ ዓቐበታት ዝነበሮ ናይ 75.3 ኪሎ ሜትር መድረኽ ዓስራይ ብምውጻእ'ዩ ወናኒ ብጫ ማልያ ክኸውን ክኢሉ ዘሎ። ነዚ ናይ ሎሚ ናይ መወዳእታ መድረኽ ርዋንዳዎ ሞየሽ ሞሁሻ ክዕወተሉ እንከሎ ሳንዲ ካልኣይ ኣሌክሳንደር ግኔዝ ሳልሳይ ወጺኦም። ሄኖክ ሙሉብርሃን ሎሚ ሓሙሻይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ። እዚ ኣብ 19 ጋንታታት ዝተሓቖፉ 95 ተቐዳደምቲ ኣብ መጀመረታ መድረኽ ዝጀመረሉ ናይ 2.1 መዓቀኒ ዘለዎ ቱር ተቐዳደምቲ ኣብ ሸሞንቲኡ መደረኻት 933.2 ኪሎ ሜትር ሸፊኖም። እቶም ኣብ መጀመርታ መድረኽ ዝተሰለፉ 95 ገለ ብሕማም ገለ ስኣን ዓቕሚ እናተጓደሉ ሎሚ 65 ተቐዳደምቲ'ዮም ጸወታ ጀሚሮም። ዙር ርዋንዳ ኣብ 2019 ብዩሲኣይ ናይ 2.1 መዐቀኒ ካብ ዝወሃቦ ክሳብ ሕጂ ኣብ 2019 መርሃዊ ቅዱስ ኣብ 2020 ናትናኤል ተስፋጽዮን ክዕወትሉ እንከለዉ ኣብ 2021 ኸኣ ስጳኛዊ ክሪስትያን ሮድሪገዝ ብጫ ማልያ ተዓዊቱ። ክሪስትያን ሮድሪገዝ ንዙር ርዋንዳ ንመጀመረታ ዝተዓወተሉ ኣውሮጳዊ'ዩ። ናትናኤል፡ ናይ ሎሚ ዓመት ዓወቱ ንዕኡ ንኻልኣዩ ንሃገሩ ኤርትራ ኸኣ ምስቲ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ 2010 ንዙር ርዋንዳ ዝተዓወትሉ፡ ኣርባዕተ ግዜ ዕውትቲ ዙር ርዋንዳ ከምእትኽውን ገይሩ። ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ኣብ ዝተገበረ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር፡ ናትናኤል ካብቲ ቀዳማይ ኮይኑ ነታ ዝተዳለወት 4 ኪሎ ሜትር ብ4 ደቒቕን 41 ካልኢትን ዝዛዘማ ፈረንሳዊ ኣሌክሳንደር ገኔዝ ብ19 ካልኢት ብምድሓር ውድድሩ መበል 24 ብምዃን'ዩ ዛዚሙ። ካብ ኪጋሊ ናብ ርዋማንጋና ኣብ ዝተኻየደ ናይ 148.3 ኪሎ ሜትር ካልኣይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ንናትናኤል ግዜ ከይከሰረ መበል 21 ክኣቱ እንከሎ ካብቲ ብጫ ማልያ ዝሓዘ ኣሌሳንደር ግኔዝ ብ19 ካልኢት ድሒሩ ኣብ ብጫ ማልያ መበል 23 ተቐሚጡ። ኣብ ኪጋሊ ናብ ሩባቩ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 155.9 ኪሎ ሜትር ሳልሳይ መድረኽ ናትናኤል ተስፋጽዮን ግዜ ከይከሰረ ራብዓይ ክኣቱ እንከሎ፡ ካብቲ ብጫ ማልያ ዝተረከብ ወዲ ጋንትኡ ጆናታን ሬስትሬፖ ብ13 ካልኢት ድሒሩ ኣብ ራብዓይ ተቐሚጡ። ናትናኤል ኣብዛ መድረኽ እዚኣ ኣብ ንመንእሰይ ትወሃብ ማልያ ካልኣይ ክኸወን እንከሎ፡ ኣብታ ንዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ትውሃብ ማልያ ንሄኖክ ሙሉብርሃን ኣኸቲሉ ቀዳማይ ኮይኑ። ራብዓይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ካብ ከተማ ኪጋሊ ናብ ጉቹምቢ 124.3 ዝሽፍን'ዩ ነይሩ። ኣብዛ መድረኽ እዚኣ ናትናኤል ካብ ቀዳማይ ዝወጽአ ደቡብ ኣፍሪቃዊ መይን ኬንት ሰለስተ ካልኢት ድሒሩ ሻሙናይ ክኣቱ እንከሎ ኣብ ብጫ ማልያ ካብቲ ብጫ ማልያ ዝተረከበ ኣክዘል ላውረንስ ብ10 ካልኢት ድሒሩ ኣብ መብለ 10 ተሰሪዑ። ኣብቲ ካብ ሙሀንጋ ናብ ሙሳንዘ ዝተኻየደ ሓሙሻይ መድረኽ ናትናኤል ካብቲ ነታ መድረኽ ዝተዓወተላ ኣሌክሳንደር ገኔዝ 20 ካልኢት ድሒሩ መበል ሻሙናይ ኮይኑ'ዩ ዛዚምዋ። ኣብ ብጫ ማልያ ኸኣ ምስቲ ኣብታ መድረኽ ብጫ ማልያ ዝተረከበ ስጳኛዊ ኣንገል ማድራዞ ብማዕረ ግዜ ብመዓልቲ ተበሊጹ ናብ ካልኣይ ደረጃ ደይቡ። እተን ንዝበለጸ መንእሰይን ኣፍሪቃውን ዝውሃባ ማልያታት ግን ተዓዊትለን። ሻዱሻይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ካብ ሙሳንዘ ተበጊሱ ኣብ ኪጋሊ ኮንቬንሽን ሴንተር እዩ ተዛዚሙ። ኣብዛ መድረኽ ቡዱያክ ኣናቶሊ ክዕወተላ እንከሎ፡ ናትናኤል ግዜ ከይከሰረ ካልኣይ ኮይኑ ኣትዩ። ኣብ ብጫ ማልያ ኸኣ ንኣናቶሊ ቡድያክ 6 ካልኢት ኣንጺፉሉ ናትናኤል ወኒንዋ። እተን ንዝበለጸ መንእሰይን ኣፍሪቃውን ዝውሃባ ማልያታት'ውን ንሄኖክ ሙሉብርሃን ኣኸቲሉ ቀዳማይ ብምዃን ወኒንወን። ሻውዓይ መድረኽ ተቐዳዳማይ ቢ ኤንድ ቢ ሆቴልስ ፈረንሳዊ ኣላን ክዕወተላ እንከሎ፡ ናትናኤል ካብ ቀዳማይ 52 ካልኢት ድሒሩ ሓሙሻይ ኮይኑ'ዩ ኣትዩ። ኣብ ብጫ ማልያ ኸኣ ነቲ ምስ ቡድያክ ኣንቶሊ ዝነብሮ ፍልልይ ናብ 26 ካልኢት ክብ ብምባል ብጫ ማልያ ናብ ሻሙናይን መዛዘምን መድረኽ ገይርዋ ከምዝኣቱ ኣረጋጊጹ። ናትናኤል ተስፋጽዮን ብጃካ ብጫ ማልያ ንመንእሰይን ንዝበልጸ ኣፍሪቃውን ዝውሃባ ማልያታት'ውን ኣብ ሕቑፉ ኣእትይወን። ናትናኤል ኣብዚ ሎሚ ዝተዛዘመ መበል 14 ዙር ርዋንዳ 2022 ብጫ ማልያ፡ ንዝበለጸ ኣፍሪቃውን ዝበለጸ መንእሰይን ዝውሃባ ማልያታት ወኒንወን ኣሎ። ሃገራዊት ጋንታ ኤርራ ኣብ መጀመርታ ኣብዚ ውድድር ክትሳተፍ ምዃን'ኳ ተገሊጹ እንተነበረ፡ እቲ ውድድርን ዩሲኣይን ዝጠለቦ ተጻወትትን ኣካየድቲ ጋንታን ጸረ ኮሮናቫይረስ ክኽተቡ ኣለዎም ዝብል ነጥቢ ስለ ዘየማልአት ኣብዚ ውድድር ክትሳተፍ ኣይክኣለትን።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60546123"} {"headline":"ቀዳመይቲ ምኒስተር ነበር ተሬዛ መይ፡ ንውጥን ምምላስ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ነቒፋ","content":"ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ነበር ተሬዛ መይ፡ እቲ ናይ ምምላስ ፖሊሲ ን\"ሕጋውነት፡ ግብራውነትን ኣድማዕነትን\" መስፈርቲ ኣየማልእን እዩ ክትብል ነቲ ውሳነ ከምዘይትድግፎ ንላዕለዋይ ባይቶ እታ ሃገር ሓቢራ። ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ፕሪት ፓተል እቲ ውጥን \" ንዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ዓቢ ጽፍዒት\" ከም ዝኸውንን ነቶም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ክኣትው ኣብ መገዲ ናይ ዝሞቱ ሰባት ህይወት ደው ከም ዘብሎ ገሊጻ ። እቲ ፖሊሲ ብብዙሓት ማሕበራት ግብረሰናይን ተቓወምቲ ውድባትን ተነቒፉ እዩ ። ካብ 2010 ክሳዕ 2016 ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዓዲ እንግሊዝ ዝነበረት ወይዘሮ ተሬዛ መይ፡ እቲ ናብ ሩዋንዳ ናይ ምምላስ መስርሕ ንደቂ ተባዕትዮ ጥራሕ ዝምልከት እንተኾይኑ፡ ዘይሕጋዊ ስግግር ደቀንስትዮን ህጻናትን ንከይውስኽ’ከ እንታይ ውሕስነት ኣሎ ክትብል ሓቲታ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምእተነግረ እቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣተዉ ሰባት፡ ኣብ ዝመጽእ ሳምንቲ ናብታ መስርሕ ሕቶ ዑቕባ ዝካየደላ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክምለሱ እዩ እቲ እማመ። እቲ ውጥን ከምቲ ዝተሓስበ እንተቐጺሉ እቶም ሕቶ ዑቕበኦም ዝተዓወተ፡ ኣብታ ሃገር ናይ ነዊሕ እዋን መንበሪ ፍቓድ ክወሃቦም ከምዝኾነ’ዩ ዝሕብር። ሚስ ተሬዛ መይ ብዛዕባ እቲ ናይ ስደተኛታት ንርዋንዳ ናይ ምምላስ ውጥን \"ክሳዕ ሕጂ ካብ ዝሰማዕክዎን ዝረኣኽዎን እዚ ፖሊሲ እዚ: ሕጋውነት: ግብራዊነትን ኣድማዕነትን ስለዘይብሉ ኣይድግፎን’የ። እዚ መደብ እዚ ስድራ ቤታት ዝበታትን ንቖልዑን ደቀንስትዮን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ዘይምዃኑ ዘተኣማምን መርትዖን መረጋገጽን የሎን” ክትብል እቲ ውጥን ክውገድ ሓቲታ ኣላ። እንተዀነ ግን: ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ሚስ ፓተል \"ሰባት ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ንክኣትው ናይ ህይወት ሓደጋ የጋጥሞም ስለዘሎ ናይ ግድን ለውጢ የድሊ ኣሎ\" ክትብል ነቲ ፖሊሲ ትጣበቐሉ ኣላ። ንሳ፡ \"እዚ ምስ ርዋንዳ ዝግበር ዘሎ ሽርክነት ነቲ ዓለምለኻዊ ስርዓተ-ኢሜግሬሽን ፍትሓዊ ብምግባር ሰባት ውሑስ ህይወትን ዕድልን ንኽረኽቡ ዝሕግዝ ዓለምለኻዊ ሓባራዊ ዕማም እዩ” ክትብል ንፓርላማ ሓቢራቶም። \"እዚ ውጥን’ዚ ንኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ናይ ንግዲ ሞዴል ብምስባር ህይወት ሰባት ዘድሕንን ነቶም ናይ ሓቂ መሳኪን ስደተኛታት ድማ ዕቝባ ክኾኖም’ዩ\" ኢሎም። ውጥን ምምላስ ስደተኛታት ንርዋንዳ ብኸመይ ክሰርሕ’ዩ ? • ብመሰረት ኣብ መንጎ ክልቲኦም መንግስታት ብሪጣንያን ርዋንዳን ዝተገብረ ምርድዳእ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ናብ ሃገራ ንዝኣተው ሓተትቲ ዑቕባ \"ብዘይ ወዓል ሕደር\" መርሚራ፡ ናብ ርዋንዳ ዝኸዱ መምያ፡ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ መሰረታዊ ዝርዝራት ናብ ሩዋንዳ ተመሓላልፍ። • እቶም ስደተኛታት ንሩዋንዳ ቅድሚ ምግዓዞም ኩሉ ጠለባት ተጽድቕ፡ እቲ ምድላው ከኣ ንሓሙሽተ ዓመት ይጸንሕ። • ነፍሲ ወከፍ ሓታቲ ዑቕባ ኣብ ሩዋንዳ ድሕሪ ምብጽሑ መንበሪን ደገፍን ክወሃቦን ኩሉ ግዜ ካብ መንበሪኦም መጺኦም ናብ ቃሕ ዝበሎም ብነጻነት ክንቀሳቐሱ መሰል ከምዝህልዎ እቲ ጽሑፍ ይሕብር ። • እቲ ሓታቲ ዑቕባ ሕቶ ዕቕቡኡ እንተተዓዊቱ ኣብታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ሩዋንዳ ናይ ነዊሕ እዋን መንበሪ ይወሃቦ። • እቶም ሕቶ ዑቕበኦም ብሰበ-ስልጣን ሩዋንዳ ተቐባልነት ዘይረኸቡ ሰባት ከኣ ናብ ሃገሮም ወይ ክትቅበሎም ፍቓደኛ ናብ ዝኾነት ሳልሰይቲ ሃገር ክኸዱ ይኽእሉ። • ዓባይ ብሪጣንያ እውን ንገለ ክፋል ካብቶም ናብ ሩዋንዳ ዝተመልሱ ሓደ ሓደ ጉዱኣት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ መሊሳ ክተጣይሶም ምዃና ይሕብር። ምክትል ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ የቨት ኩፐር ነቲ ፖሊሲ፡ ስነ-ምግባር ዝጎደሎን ፈጺሙ ዘይሰርሕን፡ ኣብ ጉዳይ ስደትን ምሕደርኡን ንዓመታት ዝተዋህለለ ፍሽለት ንምሽፋን ዝተማህዘ ዘባል ውሳነ’ዩ ክብል ኰኒንዎ። ሚስተር ኩፐር፡ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ኣብቲ ምስግጋር ንዝግበር ወጻኢታት እኹል ሓበሬታ ከምዘየሎ ብምሕባር፡- \"ነቲ ኣብቲ መስርሕ ዝኽፈል 120 ሚልዮን ፓውንድ ነቶም ስደተኛታት ዝኽፈሎም ነገር ይህሉ’ዶ ይኸውን? ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝኽፈሎ ስምምዕ ኣይተገብረን። ወይስ እቲ ዝተገልጸ 120 ፓውንድ ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ወይ ንጋዜጣዊ መግለጺ ጥራይ ዝኽፈል’ዶ ይኸውን?” ክብል ሕቶ የልዕል። እታ ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ሩዋንዳ ዘለዋ ምሕዝነት ንምግላጽ ዝተጠቕመትሉ ቃና፡ \"ኣዝዩ ዘኖፎቢክ (ዜኖፎብያ ንዘይትፈልጦም ሰባት ወይ ንጓኖት ምፍራሕን ምጽላእን)\" ምዃኑ ገሊጻ ። ሚስ ፓተል ሓያሎ ሰበስልጣን ብዛዕባ እቲ ፕሮጀክትን ወጻኢታቱን ሕቶታት ምስኣቕቡላ ነቲ ውጥን ዝተሰለዐ ገንዘብ ወግዓዊ ብምግባር ነቲ ኣጸቢቓ እትደፍኣሉ ዘላ ምምላስ ሓተትቲ ዑቕባ ንሩዋንዳ ምሉእ ሓላፍነት ከም እትወስደሉ ሓቢራ። ሰሉስ ምሸት ከኣ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ንፕረዚደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋመ ደዊሉ ምስ ኣፍሪቃዊት ሃገር ንምዕያይ ድሉውነት ከምዘለዎ ኣጕሊሑዎ ። ዓሚ 28,526 ሓተትቲ ዑቕባ ብመትረብ ኢንግሊሽ ቻነል ብጀላቡ ናብ ብሪጣንያ ከም ዝኣተው ይፍለጥ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61172587"} {"headline":"ሊቀ ጳጳስ ካንተርበሪ፡ ብሪጣንያ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ክትመልስ ብምሕሳባ ኮኒኖም","content":"ሊቀ ጳጳስ ካንተርበሪ፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ንስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ክመልስ ምውጣኑ ምስ ፈሪሃ እግዚኣብሄር ዝጻረር እዩ ብምባል ኮኒኖም። ሊቀ ጳጳስ ጀስቲን ዌልቢ ኣብ በዓለ ፋሲካ ኣብ ዝገበሩዎ ስብከት ኣብ ትንሳኤ ክርስቶስ ሓላፍነትና ክንስከም ይግባእ ኢሎም። ብተወሳኺ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ደው ክብልን ዕርቀ ሰላም ክእወጅን ጸዊዖም። ብሰንኪ እቲ ኵናት ንዝተጎድኡ ህዝቢ ከኣ ጸሎቶም አዕሪጎም። ኣብ ርእሲኡ ኵናት ዩክረይን ኣብ ክብሪ መነባብሮ ፈጢሩዎ ዘሎ ጸቕጥን ሻቕሎትን እውን ዘተሓሳስብ ምዃኑ ተዛሪቦም። መንግስቲ ብሪጣንያ ንሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ንምምላስ ወጢኑዎ ዘሎ መደብ ብጥብቂ ከምዝኹንንዎ እቶም ጳጳስ ገሊጾም፤ መንግስቲ ብሪጣንያ ግና እቲ መደብ ንህይወት ናይቶም ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ኣብ ሓደጋ ዝወድቁ ስደተኛታት ንምዕቃብ ምዃኑ የረድእ። ስለዝኾነ ነቶም ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ናብ ብሪጣንያ ዝኣትው ሓተትቲ ዑቕባ ስደተኛታት ሕቶ ዑቕበኦም ንምቕራብን ጉዳዮም ንምፍጻምን ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ርዋንዳ ንምልኣኽ ናይ 120 ሚሊየን ፓውንድ ውጥን ወጺኡ ምህላው ተሓቢሩ። ልዕሊ 160 ዝኾኑ ማሕበራት ግብረ ሰናይ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብሓባር ነቲ ውጥን \"ጭካነ ዝመልኦ\" ብምባል እቶም ምኒስተራት ሓሳቦም ንክቕይሩ ኣተሓሳሲቦም። እቲ ውሳነ ብተቓወምቲ ሰልፍታት እውን ከይተረፈ ነቐፌታ ቀሪቡሉ ኣሎ። ጳጳስ ካቴድራል ካንትርበሪ ሊቀ ጳጳስ ዌልቢ: \"ንሓተትቲ ዑቕባ ናብ ኣፍሪቃ ምልኣኽ ዓቢ ናይ ስነ ምግባር ጸገማት ከምዘለዎ” ይዛረቡ። \"እቲ ዝርዝር ፖለቲካ እዩ፤ እቲ ቐንዱ ግን ኣብ ፍቓድ ኣምላኽ ክምርኮስ ኣለዎ። ከምዚ ግን ክኸውን የብሉን\" ኢሎም። \"ብሰንኪ ስንፍናና ኣብ ክርስትያናዊ ክብርታትና ዝተመስረተት ሃገርና ሓላፍነታ ክትስከም ኣይከኣለትን። እዚ ከኣ ምስ ባህሪ ንውድቀትናን ሓጢኣትናን ሓላፍነት ዝወሰደ እግዚአብሔር ዝጻረር እዩ\" ኢሎም እቶም ሊቀ ጳጳስ። እቲ ውጥን እንተሰሊጡ እቶም ቀዳሞት ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ርዋንዳ ክኣትው ከምዝኽእሉ ትጽቢት ይግበር። ወሃቢ ቃል ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ፡ እታ ሃገር ንስደተኛታት ኣብ ምሕጋዝ ዘኹርዕ ታሪኽ ከምዘለዋ ብምጥቃስ እቶም ሊቀ ጳጳስ ንዝሃቡዎ ነቐፌታ ነቲ ክውንነት ኣብ ግምት ከምዘየእተወ ተዛሪቡ። ቀጺሉ'ውን፡ ኣብዚ ዓለም ብብዝሒ ስደተኛታት አዕለቕሊቓትሉ ዘላ እዋን: ህይወት ሰባት ንሓደጋ ዘቃልዑ ዘለው ኣሰጋገርቲ ሰባት ንምክልኻልን ኣብ ስርዓተ ሕቶ ዑቕባ ለውጢ ከምዘድሊ ብምግላጽ ርዋንዳ ከኣ “ ውሕስነት ዘለዋ ሃገር’ ብምዃና ሕቶ ዑቕባ ስደተኛታት ተቐቢላ ብዝግበኣ ከተተናኣግዶ ከምእትኽእል ሓቢሩ። ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ንሓተትቲ ዑቕባ ካብ ብሪጣንያ ናብ ርዋንዳ ምልኣኽ ምስ ዓለማዊ ሕጊ ሕቶ ዑቕባ ከምዝጻረር ገሊጹ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61138295"} {"headline":"ነቐፍቲ 'ውጥን ስደተኛታት ብሪጣንያ-ርዋንዳ' ዝሓሸ መፍትሒ የብሎምን- መንግስቲ ብሪጣንያ","content":"ጸሓፊት ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ፕሪቲ ፓተል፡ እቶም ብመንግስቲ ወጺኡ ንዘሎ ውጥን ምስዳድ ስደተኛታት ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ዝነቕፉ ዘለው፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ዝሓሸ መፍትሒ ከቕርቡ ከምዘይከኣሉ ተመሊሳ ትወቅስ። ንሳ፡ ኣብቲ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ርዋንዳ ብሓባር ኣብ መጽሔት 'ዘ-ታይምስ' ኣብ ዝጸሓፈቶ ዓንቀጽ፡ እዚ ቀሪቡ ዘሎ ውጥን፡ ነቲ ቀታሊ ዝዀነ ንግዲ ምስግጋር ደቂሰብ ክገትእ ዝኽእል ውሕሉል ፍታሕ ምዃኑ ትምጕት። ዝዀነት ኣብ ሰብኣውነት እትግደስ ሃገር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ስቓይ ደቂሰብ እናረኣየት ክቕጽል ኣይትፈቅድን እያ ድማ ይብሉ። እዚ ጽሑፋዊ ግብረመልሲ ክልቲኦም ሰብመዚ፡ ነቲ ብሊቀጳጳሳት ካንተበሪ፡ ጃስቲን ወልቢ ዝተገልጸ 'ኢሞራላዊ ውጥን' ዝብል ነቐፌታ ስዒቡ እዩ። ፓተልን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ርዋንዳ ቪንስተንት ቢሩታን ብሓባር ከም ዝበልዎ፡ ዓለማዊ ስርዓተ ዑቕባ፡ ብሰንኪ'ቲ ዝኸርር ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላዋትን፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን እናወደቐ እዩ ዝመጽእ ዘሎ። ስለዚ፡ እዚ ውጥን፡ ነቶም ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተው ስደተኛታት፡ ናብቲ ዝረግእሉን ዝሓሸን ውሑስን ህይወት ክመርሑሉ ዝኽእሉን ሃገር ከመልክቱ ናብ እተኽእሎም ሃገረ ርዋንዳ ምምጻእ እዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ፡ ብሪጣንያ ንፕሮጀክት ትምህርቲ 'ዞም ስደተኛታት ዝውዕል፡ ክሳብ 120 ሚልዮን ፖውንድ ከተውፍር እያ። \"ድፋርን ውሕሉልን ስጕምቲ ኢና ንወስድ ዘለና፣ እቲ ዘገርም ግን እቶም ነዚ ነገር'ዚ ዝወቕሱ ዘለው ትካላት፡ ዝሓሸ ናይ ገዛእ ርእሶም መፍትሒ ከቕርቡ ዘምኽኣሎም እዩ፡\" ክብሉ ጽሒፎም። \"እዚ ስቓይ ሰባት ክቕጽል ምግባር፡ ብሓንቲ ሰብኣዊት ሃገር ዝጽወር ኣይኰነን።\" ብዘይካ'ዚ፡ ክልቲአን ሃገራት ብዝገብርኦ ስምምዕ ዝውሰን'ውን፡ ገለ ስደተኛታት ካብ ርዋንዳ ናብ ብሪጣንያ ክኸዱ ተኽእሎ ከም ዘሎ ተገሊጹ'ሎ። ኣብ ኣጋጣሚ በዓለ ትንሳኤ [ኤውሮጳውያን] እቶም ሊቀጳጳሳት ንመንግስቲ ብሪጣንያ ክነቕፉ ዝተሰምዑ ኰይኖም፡ ንሶም፡ \"እዚ፡ ንሓላፍነታትና ውክልና [ንኻልኦት] ምሃብ እዩ\" ክብሉ ብምኽሳስ፡ እዚ ግን \"ንፍርዲ ኣምላኽ ኣይጾሮን እዩ\" ኢሎም። ሊቀጳጳስ ዮርክ ስተፈን ኮትረል ብወገኖም፡ እዚ ፖሊሲ ብሪጣንያ፡ \"ዘሕዝንን ዘሻቕልን እዩ\" ድሕሪ ምባል፡ ወሲኾም፡ \"ካብዚ ዝሓሸ ክንገብር ንኽእል ኢና፡\" ክብሉ ኣስሚሮምሉ። ተቓወምቲ ሰልፍታትን፡ ገለ ኣባላት ባይቶ ዓቃባዊ ሰልፍን ነዚ ውጥን ኣይተቐበልዎን። ልዕሊ 160 ዝዀና ማሕበራት ግብረሰናይን ጕጀለታት ጐስጓስን ብሓባር፡ \"ዘሕፍር ጭካነ\" ብምባል፡ ሰበስልጣን ብሪጣንያ ነዚ ውጥን ክስርዝዎ ይጽውዑ ኣለው። እዞም ነቐፍቲ፡ ካብቲ ዘቕርብዎ ዘለው ምኽንያታት ሓደ፡ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ርዋንዳ ኰይኑ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብብሪጣንያ ከይተረፈ ተላዒሉ ዝነበረ፡ ኣብታ ሃገር ዝፍጸም፡ ዘይሕጋዊ ቅትለት፡ ምስዋርን ምስቓይን ሰባት ከም መከራኸሪ የቐምጡ። እንተዀነ፡ ፓተልን ቢሩታን ኣብቲ ዝጸሓፍዎ ዓንቀጽ፡ ርዋንዳ ኣብዚ እዋን'ዚ ካብ ዓለም እታ ውሕስቲ ሃገር ምዃና፣ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራ ዝተሰዱ 130,000 ስደተኛታት ኣዕቝባ ከም ዘላን ይጠቕሱ። ብተወሳኺ እዞም ክልተ ነቲ ጉዳይ ዘመሃድሩ ዘለው ሰበስልጣን፡ \"እዚ ውጥን ዋሕዚ ናይቶም ሂወቶም ንሓደጋ ዘቃልዑ ዘለው ስደተኛታት ክገትእ እዩ፡\" ኢሎም ይምጕቱ ኣለው፤ ሽሕ'ኳ እዚ 'ገታኢ ውጽኢት' ክርከቦ እዩ ዝበሃል ዘሎ ትጽቢታት ተጨባጥነቱ ኣጠራጣሪ እንተዀነ። ቀዋሚ ጸሓፊ ማቲው ረይችሮፍት ብወገኑ፡ እዚ፡ ነቲ ናብ ብሪጣንያ ዘእቱ ዘይሕጋዊ መስመራት ከጕድል እንተኽኢሉ፡ ንገንዘብ ዘቐድም ፖሊሲ ጥራይ እዩ ክኸውን ብምባል፡ ከቢድ ዋጋ ክህልዎ ምዃኑ የጠንቅቕ። ውጥን ስደተኛታት ርዋንዳ ብኸመይ እዩ ክትግበር? ብመሰረት'ዚ ኣብ መንጐ ብሪጣንያን ርዋንዳ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ፡ እቲ ናብ ርዋንዳ ዝጓዓዙ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ርዋንዳ ክበጽሑ ዘኽእሎም ናይ ሓደ እግሪ ቲኬት ነፋሪት ክወሃቦም ምዃኑ ከም ዝተገልጸ ይዝከር።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61138950"} {"headline":"ብሪጣንያ፡ ጉዳይ ሓተትቲ ዕቑባ ኣብ ሩዋንዳ ክርአ ምውጣና ዝገጠሞ ተቓውሞ","content":"ናይ መጀመርታ ሓተትቲ ዕቑባ ብሪጣንያ፡ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ናብ ሩዋንዳ ክውሰዱ ከም ዝኽእሉ መንግስቲ ኢንግሊዝ ትማሊ ኣፍሊጡ ኣሎ። እዚ ሓድሽ መደብ ምምሕዳር ቀዳማይ ሚኒስትር ቦሪስ ጆንሰን ብሓሙስ ወግዓዊ ክኸውን እንከሎ፡ መጀመርታ እቶም ካብ ፈረንሳ ብጀልባ ወይ ብናይ ጽዕነት መካይን ተሓቢኦም ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝኣትው ቤተሰብ ዘይብሎም ደቂ ተባዕትዮ ትኹረት ከም ዝገብር'ዩ ተሓቢሩ። ቦሪስ ጆንሰን፡ መትረብ ኢንግሊዝ ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ማያዊ ኣካል ናብ ሃገሩ ዝኣትው መብዛሕትኦም ዕቑባ ዝሓቱ ስደተኛታት \"ብሓንቲ ናይ ኣየር ቲኬት ናብ ሩዋንዳ ክመልሶም\" ምዃኑ ተዛሪቡ። ይኹን'ምበር ተሓለቕቲ መሰል ስደተኛታት ዓዲ ኢንግሊዝ፡ እዚ መደብ ልዑል ወጻኢ ዝሓትት ከም ዝኾነ ብምግላጽ ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ሩዋንዳ ኣብ ሕቶ ብምእታው ይነቕፍኦ ኣለዋ። ተመራመርቲ ጉዳያት ስደተኛታትን ተሓለቕቲ መሰላት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቑባን'ውን \"ስደተኛታት ዕዳ ኣይኮኑን\" ብምባል ምምሕዳር ቀዳማይ ሚኒስትር ቦሪስ ንውሳንኡ ክሓስበሉ ይሓቱን ተቓውሞኦም ይገልጹን ኣለው። እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ግን \"ወጻኢታት ዝኾነ ናብዚ መጺኡ ክነብር ድልየት ናይ ዘለዎ ሰብ ንምሽፋን፡ ገንዘብ ኸፈልቲ ግብሪ ብሪጣኒያ ክንጥቀም የብልናን\" ብምባል ሕቶ ዕቑባ ዘለዎም ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ክሰዶም ምዃኑ ሓቢሩ። ንስደተኛታት ሓተትቲ ዕቑባን ኣብ ዝሕግዝ ብሪስቶል ሆስቲሊቲ ኔትዎርክ እትሰርሕ ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት ተቐማጢት ዓዲ ኢንግሊዝ ኤርትራዊት ሄለን ኪዳነ፡ እቲ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ካብ ዝተፈጥረ ግጉይ ርድኢት ዝምንጩ'ዩ ብምባል ትቃወሞ። ነዚ ከምዚ ዓይነት ውሳነታት ደፋኢ ካብ ሞንጎ ዝኾኑ ቀንዲ ምኽንያታት \"ጸዓዱ ኢንግሊዝ ብብዝሒ እቶም ስደተኛታት ዝሓሸ ገዛ፣ ዝሓሸ ስራሕ፣ ዕድል ትምህርቲ ንምርካብን ጽቡቕ ናብራ ንክነብሩን እምበር ናይ ብሓቂ ስደተኛ ኮይኖም ኣይኮነን፤ ከነፍቕደሎም የብልናን\" ዝብል ኣረዳድኣ ምሓዞም እዩ ትብል። ይኹን'ምበር፡ እቶም ናብታ ሃገር ዝኣትው ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕን ሞያዊ ኣገልግሎትን ተዋፊሮም ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ዘበርክትዎ እጃም ክሳብ ክነደይ ምዃኑ ኣብ ግምት ክኣቱ ኣይርኣይን ብምባል፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ግጉይ ምስሊ ከም ዝተፈጥረ ትዛረብ። \"ንኣብነት ሶማልያውያን ኣብዚ ዓዲ ብዙሕ ንግድን ስራሕን ኣለዎም። ነቲ ቁጠባ ካብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን ካልኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብዚ መጺኦም ከም ሓኪምን ካልእን ኮይኖም ሰሪሖም ኣብ ቁጠባ ብዙሕ ኣበርክቶ ኣለዎም። እቲ ዘሕዝን ግን ካብ ሳልሳይ ዓለም ሃገር ዝመጽእ ስደተኛ ብሕማቕ ዓይኒ እዩ ዝርኣይ እምበር ነታ ሃገር ቁጠብኣን እንታይ ጽቡቕ ገይሩ ዝብል ኣብ ቴሌቪዥናት ፈጺሙ ኣይመጽእን እዩ፤ እዚ ድማ ኣብ ርእሲ ኢንግሊዛውያን ግጉይ ምስሊ ኣሕዲሩ\" ትብል። ቀዳማይ ሚኒስትር ቦሪስ ጆንሰን፡ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቁጠባዊ ዕቑባ ምኽንያት ገይሮም ዝመጽኡ ስራሕ ዝደልዩ ስደተኛታት ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ክጸንሑ ከም ዘይክእሉ ብምግላጽ፡ ሕጋዊ ሕቶ ዘለዎም ድማ ኣብ ሩዋንዳ ኮይኖም ምላሽ ክረኽቡ እዮም ምባሉ ይዝከር። ዳይሬክተር ፖሊሲ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንድሪው ገሪፊስ፡ እቲ ውሳነ ብፓርላማ ክጸድቕ ከም ዘየድልዮን፡ ብመሰረት እቲ ዘሎ ናይ ኢሚግረሽንን ዑቕባን ሕግታት ክትግበር ከም ዝኽእልን ተዛሪቡ። ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ እንተ ኣቋሪጹ ናብ ብሪጣንያ ዘእቱ \"ውሑስ፣ ሕጋውን ለጋስን ዓቢ ኣፍደገ ከርሑ ይኽእል'ዩ\" ኢሉ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳውዝ ባንክ ለንደን ዳይረክተር ማእከል መጽናዕቲ ስደተኛታት ንዝኾነ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ ስለ ምንታይ እዩ መንግስቲ ዓዲ ኢንግሊዝ ነዚ ውሳነ ክወስድ ክኢሉ ንዝብል ከብርህ እንከሎ፡ ዋላ'ውን ቑጽሪ ናብታ ሃገር ዝኣትው ስደተኛታት ይወስኽ እንተሃለወ ካልኦት ውሽጣዊ ሕንፍሽፍሻት ዘንቀልዎ ክኸውን ከም ዝኽእል የብርህ። \"ኣብዛ ሃገር ሕሉፍ ናይ የማን ሰልፊ'ዩ ስልጣን ሒዙ ዘሎ፤ ብሕልፊ እታ ሚኒስትር ጉደያት ውሽጢ ዓዲ ሕልፍቲ ናይ የማን ሓይሊ'ያ። ኣቦ መንበር እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ'ውን ከምኡ\" ዝብል ፕሮፌሰር ጋይም፡ ብዓብይኡ ድማ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ግዜ ዕጽዋ ሕጊ ኮቪድ ብምጥሓሱ ዝተበየነሉ መቅጻዕትን ካብ ስልጣኑ ንክወርድ ዝበጽሖ ዘሎ ጸቕጥን ንምርስሳዕን ይጥቀመሉ ኣሎ ክብል ይነቅፍ። ፈረንሳን ኢንግሊዝን ብፍላይ ነቲ ብመትረብ ኢንግሊዝ [ኢንግሊሽ ቻነል] ዝፍጸም ዘይሕጋዊ ስደት ንምግታእ ምትሕብባር ንክገብራ ዝተፈላለዩ ስምምዓት ክገብራ ጸኒሐን እየን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 28 ሽሕን 526 ሰባት ብንኣሽቱ ጀላቡ ንመትረብ እንግሊዝ ብምቁራጽ ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝኣተው ኮይኖም፡ ኣብ 2020 እቲ ቑጽሪ 8,404 ጥራሕ ከም ዝነበረ ጸብጻባት የመልክቱ። ብሮቡዕ ጥራይ ኣስታት 600 ሰባት ብተመሳሳሊ መንገዲ ከም ዝኣተው ተሓቢሩ ነይሩ። እቲ ሓተትቲ ዕቑባ ናብ ሩዋንዳ ናይ ምልኣኽ መደብ፡ ኣካል ቑጽሪ እቶም ብኣናሽቱ ጀላቡ ንመትረብ ኢንግሊዝ ብምቁራጽ ናብ ኢንግሊዝ ዝኣትው ሰባት ንምንካይ ናይ ዝተትሓዘ ስትራቴጂ ከም ዝኾነ ክግለጽ እንከሎ፡ ሓይሊ ባሕሪ ሮያል ነፍሲ ወከፍ ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝመጽኣ ጀላቡ ንምፍላጥ ኣብቲ መትረብ ዘሎ ምንቅስቓስ ክቆጻጸሮ ጀሚሩ ኣሎ። ዳይረክተር ሓይሊ ዶብ ብሪጣኒያ ነበር ቶኒ ስሚዝ፡ ውልቀሰባት ናብ ሩዋንዳ ናብ ዝኸዳ ነፈርቲ ክስቀሉ እንከለው መንግስቲ ኢንግሊዝ ሕጋዊ ማሕለኻታት ከጋጥሞ ከም ዝኽእል ይዛረብ። እዚ ድሮ ሓያሎ ተቓውሞታት ዝገጥሞ ዘሎ መምርሒ ንክቕየር ተኽእሎ ከም ዘይብሉ ግን ፕሮፌሰር ጋይም የረድእ። \"ውሳነ ስለ ዝተወስደ ክቕየር ተክእሎ የብሉን፤ ነቶም ናብዛ ሃገር ዝኣተው ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ክወስዱዎም ይኽእሉ'ዮም። እዚኦም ኣብ ሩዋንዳ ክጸንሑ ድዮም ኣይጸንሑን ዝብል ክኣ ካልእ ሕቶ'ዩ። በዚ መገዲ ክኣ ካብ ነቲ ካብዚ ከወግዱዎ ዝደልዩ ካብ ፈረንሳ ዝመጽእ ስደተኛ ጠጠው ከብሎ ኢልካ ምሕሳብ ሕልሚ'ዩ፤ ምስኣተው ኢዶም ኣብ ክንዲ ንመንግስቲ ዝህቡ ተሓቢኦም ክነብሩ'ዮም\" ኢሉ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ቤተሰቦምን ዘጋጥም ጸገማት ኣብ ምግዳድ ናይ ባዕሉ ተራ ከም ዝህልዎ ሓቢሩ። ብዝሒ ህዝቢ ሩዋንዳ 13 ሚሊዮን ጥራይ'ዩ፤ ክሳብ ሕጂ ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር ካብ 2019 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ጀሚሩ 900 ሓተትቲ ዕቑባ ኣፍሪቃውያን ካብ ሊብያ ተቐቢላ ኣላ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ሩዋንዳ፡ ሕቶ ዕቑባ ናይቶም ካብ ዓዲ ኢንግሊዝ እትቕበሎም ስደተኛታት ክትምርምሮ እያ፤ እቲ ሕቶ ተቐባልነት እንተረኺቡ እቲ ስደተኛ ኣብ ሩዋንዳ ክነብር ክፍቀደሉ እዩ። ድልየት ዘይብሉ ስደተኛ ግን ናብ ትውልዲ ሃገሩ ወይ ድማ ናብ ሳልሰይቲ ክትቕበሎ እትኽእል ሃገር ከም ዝሰጋገር ክግለጽ እንከሎ፡ ሕጂ 500 ሓተትቲ ዕቑባ ከዕቑብ ዝኽእል 100 ናይ መዕረፊ ቦታ ከም ዘዳለወት ይግለጽ። ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ፡ ሓደ ካብቶም ነዚ ውሳበ ዘይቕበሉ ሰባት ኮይኑ ውጽኢታውነት ፍትሓውነትን ዘይብሉ ምዃኑ ይዛረብ። \"ሩዋንዳ፡ ካብተን ኣብ ዓለም ዝደኸያ ሃገራት ሓንቲ እያ፤ ህዝቢ ሩዋንዳ ንነብሱ ክኢሉ ንስደተኛታት ክሓቁፍ ይኽእል ድዩ?\" ዝብል ሕቶ ብምልዓል ቅድም ኢሎም ብተመሳሳሊ ውሳነ ካብ እስራኤል ናብ ሩዋንዳ ዝተወስዱ ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ዘይምጽንሖም የረድእ። ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ኣብነት ብምልዓል፡ \"መብዛሕትኦም ብሊብያ ኣቢሎም ናብ ኤውሮጳ ዝኣተው ኣለው፤ ገሊኦም ናብ ኤርትራ ተመሊሶም፣ ናብ ኢትዮጵያ ዝኸዱ'ውን ኣለው፤ ብኸምኡ ፋሕ ፋሕ እዮም ኢሎም እምበር ኣብ ሩዋንዳ ኣይጸንሑን፤ ሩዋንዳ'ውን ወጻእተኛታት እተወሃህደሉ ዓቕሚ የብላን\" ኢሉ። ካልኦት ኣብ ዙርያ እዚ መስርሕ ዝልዓሉ ዘለው ሕቶታት ብኻልእ ወገን፡ እቲ ኩነታት እቶም ስደተኛታት ብቐረባ እኹል ናይ ሕጊ ድጋፍ ንክረኽቡ ከም ዘጸግመሞ እትጠቅስ፡ ተሓላቒት ስደተኛታት ሄለን፡ መንግስቲ ኢንግሊዝ እቲ ኣውስትራሊያ ካብ 2000 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ጀሚሩ ሓተትቲ ዕቑባ ኣብ ሳልሰይቲ ሃገር ምቕማጥ ዘተኣታተወቶ መስርሕ ይደግም ምህላው ተልዕል። እዚ፡ ኣብ 2013 ክተርር እንከሎ ኣውስትራሊያ ብጃልባ ዝመጽኡ ሓተትቲ ዕቑባ ቪዛ ከይረክቡ ብምኽልካል፡ ኣሽሓት ስደተኛታት ድማ ካብ ኣውስትራልያ ክወጽኡ ገይራ እያ። ሓለውቲ ዶብ እታ ሃገር ድማ ካብ 2012 ክሳብ 2019 ኣብ ዘሎ ግዜ ልዕሊ ኣርባዕተ ሽሕ ስደተኛታት መሊሶም እዮም። ኣውስትራሊያ፡ እቶም ሓተትቲ ዕቑባ ኣብ ደሴት እታ ሃገር ናብ ዝኾነት ኑሩን ፓፓዋ ኒው ጊኒን ክተመሓላልፎም እንጀላ፡ 13 ናብ ኑሩን ፓፓዋ ኒው ጊኒን ዝተሰደዱ ሰባት ብሰንኪ ዓመጽ፣ ሕጽረት ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ነብሰ ቕትለትን ከም ዝሞቱ ጸብጻባት የመልክቱ። \"እዚ ጸገም ኣብኡ ክትድርበ እንከለኻ ጠበቓ ክትሕዝ፣ ናይ ኢምግሬሽን ጉዳያትካ ክትቃለስ የኽብዶ። ኣብዚ እንተኾይኖም ናብ ጠበቓ ክኸዱ፣ ናይ ሕጊ ድጋፍ ክረክቡ መሰል ኣለዎም። ኣብኡ ግን ምስ ተሰደዱ ጠበቓ የብሎምን፣ ክከታተሉሎም ኣይክእሉን'ዮም፤ ስለዚ እቶም ስደተኛታት ኣብ ሩዋንዳ ኮይኖም ናብዚ ፍቓድ ክረኽቡ ኣይክእሉን፤ እቲ ዕላማ ንሱ'ዩ\" ትብል ሄለን። ልዕሊ 160 ገበርቲ ሰናይን ተሓለቕቲ መሰል ስደተኛታትን፡ መንግስቲ ኢንግሊዝ እቲ ዘውጽኦ መደብ ክስርዞ ብደብዳበ ዝሓተቱ ኮይኖም፡ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ካውንስል ስደተኛታት ኢንቨር ሶሎሞን \"ንተወሳኺ ሰብኣዊ ቓንዛ\" ዘቃልዕ እዩ ክብል ኮኒኑ። ፕሮፌሰር ጋይም ነቲ ኣብ ኤውሮጳ ዘጋጥም ዘሎ ቅልውላው ስደተኛታት ንምፍታሕ ኣብ ክንዲ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ \"ሰብኣውነት ዘይብሎም\" ውሳነታት ብዝተጸንዐ መገዲ፣ ንስደተኛታት፣ ምንጪ ስደት ምስ ዝኾና ዘለዋ ሃገራትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ዘሳተፉ ፍታሓት ክግበረሉ ከም ዘለዎም ይገልጽ። \"85 ሚኢታዊት ስደተኛታት ኣብ ኣፍሪቃ እዮም ዘለው፤ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሱዳን፣ ኬንያ፤ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት እዮም ዘለው\" ዝብል እቲ ሙሁር፡ እተን ዕቑባ ዝሃብኦም ሃገራትን ነቶም ስደተኛታት ብምስታፍ መሰሎምን ፍቓዶምን ብዝሕሉ መገዲ ምስተን ሃገራት ኩነታት መነባብርኦም ደቂ ሃገርን ናቶምን ናብራ ብሓባር ከማዕብልሉ ዝኽእሉ ኩነታት ምፍጣር ከም ኣማራጺ ገይሩ የቅርብ። ብኻልእ ወገን፡ ናብ ኤውሮጳ፣ ኣመሪካን ካልኦት ዝማዕበላ ሃገራትን ክመጽእሉ ዝኽእሉ ብመስርሕ ዳግመ ምጥያስ ዝርኣዩ ስደተኛታት፡ ሕጋዊ ኣገባብ ብልሽውና ዘይብሉን ተሓታትነት ብዘለዎን ኣገባብ ናይ ትምህርቲ ወይ ናይ ስራሕ ዕድላት ብምሃብ ክጣየሱ ምግባር ከም ዘድሊ የቐምጥ። ብቐንዱ ግን \"እቲ ጠንቂ ናይ ስደት ዝኾነ ነገር ኣብ ሃገሮም ዘሎ ጉዳይ ብዘይሕለል መገዲ ፍታሕ ክትረኽበሉ ምፍታን የድሊ። እዚ ድማ ፖለቲካውን ቁጠባውን እዩ፤ እተን ስደተኛታት ዝመጽኡለን ዘለው ሃገራት ኣመሓዳድርአን ዴሞክራሲያዊ ክኸውን፣ መሰላት ናይ ደቂ ሰባት ዘኽብር ኩነታት ክፍጠር ኣለዎ\" ኢሉ። ኣብ ኣፍሪቃ፡ ብሰንኪ ግዕዙይ ምሕደራ፣ ሽቕለት ኣልቦነት፣ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ካልኦት ፖለቲካዊ ጉዳያትን ሚሊዮናት ይስደዱ እዮም።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61123120"} {"headline":"ኤርትራዊ ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብ ዙር ርዋንዳ ክሳተፍ'ዩ","content":"ኣብ መጀምርታ ወርሒ ጥሪ ካብ ቲም ‘ኩቤካ’ ናብ ጀርመናዊት ጋንታ ‘ባይክ አይድ’ ዝተሰጋገረ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ምስ ሓዳሽ ጋንትኡ ኮይኑ ኣብቲ ካብ 20-27 ለካቲት ኣብ ርዋንዳ ዝካይደ 'ቱር ዲ ርዋንዳ' ከምዝሳተፍ ጋንትኡ ገሊጻ። ኣብቲ ናይ ሎሚ ዓመት ቅድድም ብሽክሌታ ዙር ርዋንዳ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ክትሳተፍ ትጽቢት ነይሩ። ግን ከኣ ብመሰረት እቲ ብዩሲኣይን ኣካየድቲ እቲ ውድድርን ዝወጽአ ቅጥዕታት፡ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንቕጥዒ ክታበት ጸረ ኮሮናቫይረስ ስለዘየማልኡ ውድድር ክሳተፉ ከምዘይክእሉ ተፈሊጡ’ሎ። ክሳብ ሕጂ ብዘሎ ዝርዝር ተጻወትቲ ከኣ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን እቲ እንኮ ኣብ ዙር ርዋንዳ 2022 ዝወዳደር ኤርትራዊ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። ‘ባይክ አይድ’ ናይ ኣርባዕተ ተጻወትቲ ስማት ጥራይ ኣቕሪባ ስለዘላ፡ እቲ ኣብታ ጋንታ ዝጻወት መክሰብ ደበሳይ ሓምሻይ ኮይኑ ክኣቱ እዩ ተባሂሉ ይግመት። ብዘይካ እዚ፡ ጋንታ ‘ትረንጋኑ ፖሊጎን ሳይክሊንግ’ ኣብዚ ውድድር ትሳተፍ ስለዘላ፡ ኣብታ ጋነንታ ተጠሪኒፉ ዘሎ ኤርትራዊ መትከል እዮብ'ውን ኣብ ዙር ርዋንዳ ክስለፍ ትጽቢት ይግበር። ዝሳተፋ ጋንታታት ዎርልድ ቱር፡ ኢስራኤል ስታርት ኣፕ ነሽን፣ ፕሮ ቲም፡ ቶታል ዳይረክት ኢነርጂ [ፈረንሳ]፡ ቢኤንድ ነቢ ሆቴልስ [ፈረንሳ]፤ ቲም ኖቮ ኖርዲክ [ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ]፡ ኣንድሮኒ ግዮካሊ [ጣልያን]፡ ቡርጎስ ቢኤች [ስጳኛ]። ዩሱኣይ ኮንቲነንታል ቲም፡ በንዲክሽን ሳይክሊንግ ቲም [ርዋንዳ] ፕሮ ታች ቲም [ደቡብ ኣፍሪቃ]፡ ባይክ ኣይድ [ጀርመን]፡ ቲኤስጂ ተራንጉኑ [ማሊዥያ]፡ ቲም ኮፕ [ኖርወይ]፡ ዋይልድ ላይፍ ጀነረሽን [ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ]፡ ቲም ኤስከይሴስ [ጀርመን]፡ ታርተሌቶ ኣይዞረክስ[በልጂም]። ሃገራውያን ጋንታታት: ርዋንዳ፣ ኣልጀርያ፣ ሞሮኮን ዓባይ ብሪጣንያን። መደብ ጸወታ እቲ ውድድር ሸሞንተ መድረኻት ዝሓዘ ኮይኑ ተጻወትቲ ኣብ ሸሞንቲኡ መድረኻት 933.2 ኪሎ ሜተር ክሽፍኑ'ዮም።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60240523"} {"headline":"ሻብዓይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2022፡ ናትናኤል ብጫ ማልያ ዓቂቡ","content":"ሕጂ ኣብ ዝተዛዘመ ሻውዓይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2022 ተቐዳዳማይ ቢ ኤንድ ቢ ሆቴልስ ፈረንሳዊ ኣላን ክዕወት እንከሎ፡ ሓሙሻይ ኮይኑ ውድድሩ ዝዛዘመ ተቐዳዳሚ ጋንታ ኣንድሮኒ ጅዮካቶሊ ናትናኤል ተስፍጽዮን ትማሊ ንዝተረከባ ብጫ ማልያ ዓቒቡ ኣሎ። ተቐዳደምቲ ካብ ከተማ ኪጋሊ ከባቢ ኒያሚራምቦ ተበጊሶም፡ 152.6 ኪሎ ሜተር ብምዝዋር ኣብ ማውንት ኪጋሊ ዝወድእሉ ተሪር ዓቐብ ዝነበሮ መድረኽ ጎልደስተን ዖመር ካብ ጋንታ እስራኤል ፕረሚየር ቴክ ካልኣይ ጅያኒ ማርቻንድ ካብ ታርተለቶ ኣይዞረክስ ሳልሳይ ኮይኖም ዛዚሙ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ውድድር መትከል እዮብ መበል 14 ሄኖክ ሙሉብርሃን ኸኣ መበል 17 ኣትዮም። ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ ብጫ ማልያ ካልኣይ ኮይኑ ንዝስዕቦ ዘሎ ተቐዳዳማይ ጋንታ ተረንጋኑ ፖሊጎን ቡድያክ ኣናቶሎ ናይ 28 ካልኢት ጋግ ኣንጺፉሉ ኣሎ። ናትናኤል ተስፋጽዪን እተን ንዝበልጸ መንእሰይን ዝበለጽ ኣፍሪቃውን ዝውሃባ ማልያታት'ውን ኣብ ዝባኑ'የን ዘለዋ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60535695"} {"headline":"ዴንማርክ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ንኽትመልስ ዝርርብ ምጅማራ ኣፍሊጣ","content":"መንግስቲ ዴንማርክ ልክዕ ከምቲ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ሓተትቲ ዑቐባ ጉዳዮም ኣብ ርዋንዳ ኮይኑ ክርአ ምስ መንግስቲ ርዋንዳ ዝርርብ ምጅማሩ ኣፍሊጡ። መንገስቲ ዴንማርክ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ስደተኛታት ናብ ሃገሩ ከይኣትዉ ንምክልኻል ተርርቲ ፖሊሲታት ከተኣታቱ ምጽንሑ ይፍለጥ። ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ካልእ መሻርኽቲ ሃገር ማእከል ሓተቲ ዑቕባ ብምኽፋት ጉዳዮም ኣብኡ ኮይኑ ክርእ ዝብል ሕጊ ምጽዳቓ ዝዝከር እዩ። ኣብ እዋኑ፡ እቲ ብመንግስቲ ዴንማርክ ዝጸደቐ ሕጊ፡ ብትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብሕቡራት ሃገራትን ብኮምሽን ሕብረት ኣውሮጳን ተሪር ነቀፌታ ገጢምዎ ነይሩ እዩ። ዴንማርክ ነቲ ሕጊ ምስ ኣጽደቐቶ፡ ነቶም ስደተኛታት ትቕበላላ መላፍንቲ ሃገር ምስኣና ኣብ እዋኑ ገሊጻ ምንባራ ዝዝከር ኮይኑ ሕጂ ግን ምስ መንግስቲ ርዋንዳ ብወግዒ ዝርርብ ምጅማራ ኣፍሊጣ ኣላ። መንግስቲ ርዋንዳ ቅድሚ ሕጂ'ውን ካብ እስራኤልን ካብ ሊብያን ስደተኛታት ክቕበል ምጽንሑ ይዝከር። ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ኸኣ፡ ኣብ ብሪጣንያ ኣትዮም ሕቶ ዑቕባ ዘቕረቡ ስደተኛታት፡ ጉዳዮም ኣብ ርዋንዳ ኮይኑ ክርአ፡ ክልቲኦም መንግስታት ኣብ ስምምዕ በጺሖም ኣለዉ። እንተኾነ እቲ ውጥን ካብ ብዙሓት ወገናት ሓያል ነቀፌታ ይበጽሖ ኣሎ። ልዕሊ 160 ዝኾና ማሕበራት ተሓለቕቲ መሰላት ነቲ \"ጨካን\" ዝበልኦ ውጥን ብምቅዋም፡ መንግስቲ ዳግማይ ክሓስበሉን ክስርዞን ይጽውዓ ኣለዋ። መራሒ ብሪጣንያዊት ኣንግሊካን ቤተ-ክርስትያን ሊቀ-ጳጳስ ጃስቲን ወልቢ፡ ብኣጋጣሚ በዓለ ትንሳኤ (ኤውሮጳ) ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ውጥን \"ዓቢ ሞራላዊ ሕቶታት\" ዘለዓዕል'ዩ ክብሉ ነቒፎሞ። እቲ ስጉምቲ \"ካብ ሓላፍነትና ዘጉድል'ዩ\" ብምባል፡ \"ኣብ ፍርዲ ኣምላኽ ዝቐውም\" ኣይኮነን ኢሎም። ተቓወምቲ ሰልፍታትን፡ ገለ ኣባላት ባይቶ ገዛኢ ሰልፊ ዓቃባውያንን'ውን ነዚ ውጥን ዘለዎም ተቓውሞታት ይገልጹ ኣለዉ። እዞም ነቐፍቲ፡ ካብቲ ዘቕርብዎ ዘለው ምኽንያታት ሓደ፡ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ርዋንዳ ኰይኑ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብብሪጣንያ ከይተረፈ ተላዒሉ ዝነበረ፡ ኣብታ ሃገር ዝፍጸም፡ ዘይሕጋዊ ቅትለት፡ ምስዋርን ምስቓይን ሰባት ከም መከራኸሪ የቐምጡ። ነቲ ፖሊሲ ዝሃንደሰትን ትምርሕ ዘላን ጸሓፊት ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ፕሪቲ ፓተል ግን፡ እቶም ብመንግስቲ ወጺኡ ንዘሎ ውጥን ምስዳድ ስደተኛታት ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ዝነቕፉ ዘለው፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ዝሓሸ መፍትሒ ከቕርቡ ከምዘይከኣሉ ተመሊሳ ትወቅስ። ንሳ፡ ኣብቲ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ርዋንዳ ብሓባር ኣብ መጽሔት 'ዘ-ታይምስ' ኣብ ዝጸሓፈቶ ዓንቀጽ፡ እዚ ቀሪቡ ዘሎ ውጥን፡ ነቲ ቀታሊ ዝዀነ ንግዲ ምስግጋር ደቂሰብ ክገትእ ዝኽእል ውሕሉል ፍታሕ ምዃኑ ትምጕት። ዝዀነት ኣብ ሰብኣውነት እትግደስ ሃገር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ስቓይ ደቂሰብ እናረኣየት ክቕጽል ኣይትፈቅድን እያ ድማ ይብሉ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳውዝ ባንክ ለንደን ዳይረክተር ማእከል መጽናዕቲ ስደተኛታት ንዝኾነ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ነዚ ውሳነ ክወስድ ዘገደዶ ቑጽሪ ናብታ ሃገር ዝኣትው ስደተኛታት ይወስኽ ብበል እንተኾነ ካልኦት ውሽጣዊ ሕንፍሽፍሻት ዘንቀልዎ ክኸውን ከም ዝኽእል'ዩ ዘርህ። \"ብዓቢኡ ድማ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ግዜ ዕጽዋ ሕጊ ኮቪድ ብምጥሓሱ ዝተበየነሉ መቕጻዕትን ካብ ስልጣኑ ንክወርድ ዝበጽሖ ዘሎ ጸቕጥን ንምርስሳዕ ይጥቀመሉ ኣሎ\" ክብል ይነቅፍ። ንስደተኛታት ሓተትቲ ዕቑባን ኣብ ዝሕግዝ ብሪስቶል ሆስቲሊቲ ኔትዎርክ እትሰርሕ ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት ተቐማጢት ዓዲ ኢንግሊዝ ኤርትራዊት ሄለን ኪዳነ፡ እቲ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ካብ ዝተፈጥረ ግጉይ ርድኢት ዝምንጩ'ዩ ብምባል ትቃወሞ። \"እቶም ስደተኛታት ዝሓሸ ገዛ፣ ዝሓሸ ስራሕ፣ ዕድል ትምህርቲ ንምርካብን ጽቡቕ ናብራ ንክነብሩን እምበር ናይ ብሓቂ ስደተኛ ኮይኖም ኣይኮነን፤ ከነፍቕደሎም የብልናን\" ዝብል ኣረዳድኣ ምሓዞም እዩ ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕን ሞያዊ ኣገልግሎትን ተዋፊሮም ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ዘበርክትዎ እጃም ክሳብ ክነደይ ምዃኑ ኣብ ግምት ክኣቱ ኣይርኣይን ብምባል፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ግጉይ ምስሊ ከም ዝተፈጥረ ትዛረብ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61159149"} {"headline":"ዙር ርዋንዳ 2022፡ ገምጋም ብዛዕባ ተሳተፍቲ ዙር ርዋንዳ ብኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ነበር","content":"መበል 14 ዙር ርዋንዳ ካብ ጽባሕ ሰንበት 20 ለካቲት ጀሚሩ፡ ብዘይ እታ ካብ ኣፍሪቃ ዝበለጸት ጋንታ ዓመተ 2021 ዝተብሃለት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ: ብናይ ወልቂ ናይ ግዜ ውድድር መጋረጅኡ ክቕንጥጥ'ዩ። እንተኾነ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ድኣ ብሰንኪ ቅጥዕታት ጥዕና እቲ ውድድር ዘይምምላኣ ካብቲ ውድድር ትተኣገድ'ምበር፡ ስም ሃገሮም ከጸውዑ ዝኽእሉ ሰልስተ ኤርትራውያን ግን ኣብቲ ውድድር መምስ ጋንታታቶም ብምዃኑ ክወዳደሩ'ዮም። ተቐዳዳማይ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ጋንታ ኤሪ-ቴልን ዝነበረ ከምኡ'ውን ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ጋንታ ዞባ ደቡብ፡ ጋንታ ንኡስ ዞባ በሪኽን ዋርሳይን ዘሰልጠነ ኣኽሊሉ ሃይለ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ዙር ርዋንዳ 2022 ዝወዳደሩ ኤርትራውያን፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ሄኖክ ሙሉብርሃንን መትከል እዮብን ንህሉው ብቕዓቶም ኣመልኪቱ ሓሳቡ ኣካፊልና ኣሎ። ኣኽሊሉ ሃይለ፡ ንብዓል ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ያቆብ ደበሳይ፡ መትከል ምስጉንን ነፍስሄር ደሴት ኪዳንነ ዘፍረየ ኣሰልጣኒ ኮይኑ፡ ኣብ ሃገረ ርዋንዳ 'መይ ስታርስ' ዝተበሃለት 'ኮንቲነንታል ቲም' ብምምስራት ከም ኣሰልጣንን ስፖርት ዳይረክተርን ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ'ዩ። ኣኽሊሉ ሃይለ፡ ብዛዕባ እታ መስሪትዋ ዘሎ ኮንቲነታል ቲምን ብዛዕባ ዘሕለፎ ቅድድም ብሽክለታን ኣሰልጣንነትን ኣብ ቀጻሊ ጽሑፋትና ከነቕርቦ ኢና፡ ሕጂ ናብቲ ንሱ ዝሃቦ ገምጋም ክንሰግር። ከም ዘለዎ ነቕርበልኩም ኣሎና። ናትናኤል ተስፋጽዮን ካብ ብንእሽትኡ ምሳይ እዩ ነይሩ፡ ኣብ ጸወታ ኣበይ እንታይ ይገብር ዝፈልጥ መስተውዓልን ንመወዳድርቱ ግዜ ዘይህብን ተጻዋታይ'ዩ። ኣብዚ ዙር ርዋንዳ ከመይ እዩ ክጻወት ክንብል እንተኾይንና፡ ናይታ ንሱ ዝጻወተላ ጋንታ ኣቓውማ ኣሎ፡ እታ ጋንታ እንታይ ዓይነት ጸወታ እያ ሰሪዓትሉን ሰሪዓን ዘላ? ንብጫ ማልያ ዝጻወት ኮይኑ ድዩ ክጻወት ወይ ከም ሰራሕተኛ? [ወዲ ጋንትኡ ብጫ ማልያ ንኽወዕት ዝሰርሕ] ዝፈለጥክዎ ነገር የለን። ግን ከም ኤርትራዊ ምዃኑ ብዙሕ ዓቐበታት ኣብ ዘለዋ ሃገር ከም ምዕባዩን ዘለዎ ህሉው ብቕዓት ኣብ ግምት ኣእትየ ክዛረብ እንተኾይነ፡ ናትናኤል ኣብዚ ዙር ኣድማዕን ተፈራሕን ኮይኑ ከምዝኣቱ ፍሉጥ ነገር እዩ፡ ምኽንያቱ ኣብ 2020 ዕዉት ብጫ ማልያ [ናይ ግዜ] ስለዝነበረ፡ ጋንትኡ ብመንገዲ ናትናኤል ብጫ ማልያ ንምውሳድ መራሒ ገይሮም ከእትውዎ እዮም ዝብል ግምት'ዩ ዘለኒ። ብዓቢኡ ኣብዚ ውድድር ሓደ ካብቶም ክዕወትሉ ይኽእሉ እዮም ዝብሃሉ ተጻወትቲ ኮይኑ ከምዝቐርብ ርዱእ እዩ። ናትናኤልን ካልኦትን ተጻወትቲ ናይዚ ወቅቲ [ዓመተ ውድድር] ናይ መጀመርታ ጸወተኦም እዚ ዙር ርዋንዳ ይኸውን ስለዘሎ፡ ናይ ኩሎም መወዳድርቱ ህሉው ብቕዓቶም ክትፈልጥን ክትንትን ክኸብድ ይኽል እዩ፡ ናትናኤል ግን ካብ ብንእሽትኡ ንስርሑ ቡኮታት ዘየእቱ ስለዝኾነ ነዚ ጸወታ ኸኣ ብግቡእ ተዳልይሉ መጺኡ ከምዘሎ ኣነ ርግጽ ኮይነ ክዛረብ ይኽእል እየ። ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ኣብ ሓደ ገዛውቲ ስለዝኾንና ኣነ ካብ ብንእሽትኡ'የ ዝፈልጦ፡ ብኻልእ መንገዲ ኸኣ፡ ካብ ማውንተይን ባይክ ጀሚሩ ሳልሳይ፡ ካልኣይን ቀዳማይን ዲቪዥን እንከሎ ብጽቡቕ እናተዓወተ ዝመጽአ ተቐዳዳማይ እዩ። ኣብ ብቕዓቱ ዘማትእ ተጻዋታይ ኣይኮነን፡ ኣብቲ ሕጂ ሑዝዎ ዘሎ ኣቓውማ ኸኣ ከምቲ ኣብ ዙር ኣንታልያ [ቱርኪ] ዝርኣናዮ፡ ኣብ ጽቡቕ ኣቃውማ ከምዘሎ ኣርእዩ እዩ። ኣብ ጸወትኡ ክዛረብ እንተኾይነ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር የድምዕ'ዩ፡ ኣብ ዓቐበት ጽቡቕ ይድይብ እዩ፡ ኣብ ጎልጎል'ውን ካብ ሰቡ ኣይሓምቕን'ዩ፡ ዙር ርዋንዳ ኸኣ ዝበዝሓ ዓቐብን ቁልቑለትን እዩ፡ ኣብ ዓቐበት ኸኣ ሄኖክ ክዕወት'ዩ ኢለ ካብ ዝጽበዮም ተጻወትቲ ሓደ እዩ። ሄኖክ ኣመጻጽኡ ጽቡቕ'ዩ፡ ምስ ናትናኤል ተስፋጽየን ብምዃን ነቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ተጻወትቲ ግዜ ከይሃቡ ዓወታት ከመዝግቡ ዝተራኣዩ ተጻወትቲ'ዮም፡ ኣብ ውድድራት ብቕልጡፍ'ዮም ዓብዮም። ብዩሲኣይ ኣብ ዝተወደበ ጸወታታት ብዙሕ ዓወታት ከመዝግቡ ርኢናዮም ኢና፡ ስለዚ ሄኖክ ሙሉብርሃን ሓደ ካብቶም ዝሓሹ ብቕዓት ሒዙ ናብዚ ውድድር ዝኣቱ ዘሎ እዩ፡ ንነብሱን ንጋንትኡን [ጀርመናዊት ጋንታ ባይክ አይድ] ዓወት ሑዝላ ክወጽእ'ዩ፡ ከም ኤርትራዊ መጠን ኸኣ ኣብዚ ውድድር ባንዴርደኡ ከንበልብል'ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ። መትከል እዮብ ተመክሮ ዘለዎ ተጻዋታይ እዩ ምስ ጋንትኡ ማሊዥያዊት ጋንታ ትራንጋኑ ፖሊጎን ኮይኑ ኣብ ብዙሕ ቱራት ናይ ዩሲኣይ ብምጽዋት ተመክሮ ዝደለበን ብቕዓት ዘለዎን ተጻዋታይ እዩ። መትከል ምስ ጋንትኡ ብምዃን ብዙሕ ዓመታት ስለዝተጻወተ ጋንትኡ'ውን ጽቡቕ ገይሮም ብቕዓቱ ክፈልጥዎ ክኢሎም'ዮም። ኣብ ዓቐበት ጽቡቕ ዘድምዕ ተጻዋታይ'ዩ ኣብዚ ውድድር'ውን ኣድማዒ ኮይኑ ከምዝወጽእ ትጽቢት ገይረሉ ኣለኹ። ኣነ ንመትከል ካብ ብንእሽትኡ'የ ዝፈልጦ፡ ናብዚ ዕብየት እዚ ብስርዑንን ዘየቋርጽን ብቕዓት እዩ በጺሑ፡ ኣብ ታሪኽ ናይ ዙር ርዋንዳ እንተሪኢና ኸኣ ዋላ'ዃ ዕዉት ብጫ ማልያ ኮይኑ ውድድሩ ኣይዛዝም፡ ሓሙሽተ ግዜ ተዓዋቲ ናይ መድረኽ ክኸውን ክኢሉ እዩ። ስለዚ ኣብዚ ውድድር እዚ ነቲ ናይ ቀደም ተመክርኡ ሓዊሱ፡ ኣብ ዙር ኣንታልያ ዘርኣዮ ብቕዓት ኣብዚ ክደግሞ እንተኽኢሉን ጋንትኡ ከም መራሒ ገይራ ናብዚ ውድድረ እንተኣእትያቶን ካብቶም ነዚ ውድድር ክዕወቱሉ'ዮም ዝብሎም ሓደ እዩ። ናትናኤል ተስፋጽዮንን ሄኖክ ሙሉብርሃንን ኣብ በበይነን ጋንታታት ድኣ ይዕበዩ'ምበር፡ ካብ ውድድር ማውንተይን ባይክ ኣትሒዞም ብሓደ እዮም ዓብዮም፡ ዓወታት እናተቐባበሉ ዝሓለፉ ተጻወትቲ'ዮም፡ ኣብ ጸወታ ኸኣ ብግቡእ'ዮም ዝናበቡ። መን ኣበይ የድምዕ ክልቲኦም ይፋለጡ'ዮም፡ ጋንታታቶም ከም መራሕቲ ገይሮም እንተኣእትየነኦም እቲ ውድድር ኣብ ሰለስቲኦም [እንከላይ መትከል እዮብ] ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ክብል እንከለኹ መትከል 'ሲንየር' ናቶም እዩ፡ ክልቲኦም ኸኣ ንነዊሕ ዓመታት ብሓደ ዝተጻወቱ እዮም፡ ጋንታታቶም ነናተን ክዕወቱ ክደልየኦም ንቡር እዩ፡ ኣብቲ ናይ ኤርትራውያን ተጻወትቲ ክንዛረብ እነተኾይንና ግን ባንዴርኦም እናሓሰቡ ስለዝወዳደሩ እዞም ተጻወትቲ ንሓድሕዶም ክተሓጋገዙ ምዃኖም ርግጸኛ እየ፡ ካብ ሰለስቲኦም ሓደ ብውሕዱ ኣብ ሓደ መድረኽ ከምዝዕወት ኸኣ ርግጸኛ'የ። ዎርልድ ቱር፡ እስራኤል ስታርት ኣፕ ኔሽን ፕሮ ቲም፡ቶታል ዳይሬክት ኢነርጂ [ፈረንሳ]፣ ቢ ኤንድ ቢ ሆቴልስ [ፈረንሳ]፣ ቲም ኖቮ ኖርዲክ [ኣመሪካ]፣ ኣንድሮኒ ግዮካሊ [ጣልያን]፣ ቡርጎስ ቢኤች [ስጳኛ]። ዩሲኣይ ኮንቲነንታል ቲም፡በንዲክሽን ሳይክሊንግ ቲም [ርዋንዳ]፣ ፕሮ ታች ቲም [ደቡብ ኣፍሪቃ]፣ ባይክ ኣይድ [ጀርመን]፡ ቲኤስጂ ተራንጉኑ [ማሊዥያ]. ቲም ኮፕ [ኖርወይ]፣ ዋይልድ ላይፍ ጀነረሽን [ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ]. ቲም ኤስከይሴስ [ጀርመን]፣ ታርተሌቶ ኣይዞረክስ[በልጂም] ሃገራውያን ጋንታታት: ርዋንዳ፣ ኣልጀርያ፣ ሞሮኮን ዓባይ ብሪጣንያን እቲ ውድድር ሸውዓተ መድረኻትን ሓንቲ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድርን ዝሓዘ ኮይኑ ተወዳደርቲ ኣብ ሸሞንት መዓልታት 933.2 ኪሎ ሜትር ክሽፍኑ'ዮም።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60440149"} {"headline":"ዙር ርዋንዳ 2022፡ ብጫ ማልያ ኣብ ሳልሳይ መዓልታ ናብ ሳልሳይ ሰብ ተሰጋጊራ","content":"ካብ ከተማ ኪጋሊ ተበጊሱ ኣብ ጂኩምቢ ዝተዛዘመ 124.3 ኪሎሜትር ዝሸፈነ ራብዓይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2022 ብዓወት ደቡብ ኣፍሪቃዊ ተጻዋታይ ፕሮ ታች መይን ኬንት ክዛዘም እንከሎ ሰለስተ ኣብዚ ውድድር ዝሳተፉ ዘለዉ ኤርትራውያን ምስ ቀዳሞት ሸሞንተ ኣትዮም።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60497973"} {"headline":"ዙር ርዋንዳ 2022፡ ብጫ ማልያ ኣብ ሳልሳይ መዓልታ ናብ ሳልሳይ ሰብ ተሰጋጊራ","content":"ካብ ከተማ ኪጋሊ ተበጊሱ ኣብ ጂኩምቢ ዝተዛዘመ 124.3 ኪሎሜትር ዝሸፈነ ራብዓይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2022 ብዓወት ደቡብ ኣፍሪቃዊ ተጻዋታይ ፕሮ ታች መይን ኬንት ክዛዘም እንከሎ ሰለስተ ኣብዚ ውድድር ዝሳተፉ ዘለዉ ኤርትራውያን ምስ ቀዳሞት ሸሞንተ ኣትዮም። ኣብዚ ናይ ሎሚ ውድድር መይን ከንት ንውድድሩ ሰልስተ ሰዓት፡ 17 ደቒቕን 40 ካልኢትትን እዩ ዛዚሙ። ወዲ ጋንታኡ ንመትከል እዮብ: ቡድያክ ኣናቶሊ ካልኣይ፡ ቦይለው ኣላን ካብ ቢ ኤንዲ ቢ ሆቴልስ ሳልሳይ: ተቐዳዳማይ ተረንጋኑ ፖሊጎን መትከል እዮብ ሰለስተ ካልኢት ድሒሩ ራብዓይ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ካብ ባይክ አይድ ከምኡ'ውን ናትናኤል ተስፋጽዮን ካብ ጋንታ ድሮን ሆፐር ኣንድሮኒ ጂካቶሊ ብተመሳሳሊ ሰለስተ ካልኢት ጥራይ ከሲሮም ሻዱሻይን ሻሙናይን ወጺኦም። ሄኖክ ሙሉብርሃን ንሳልሳይ ምዓልቱ'ዩ ምስ ቀዳሞት ሽዱሽተ ምውድኡ ኣብ ጽቡቕ ኣቓውማ ከምዘሎ ዘርኢ'ዩ። ድሕሪ ጸወታ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃል መሕተት፡ ናይ ሎሚ ጸወታ ብርቱዕ ምንባሩ ብምግላጽ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ መድረኻት ብዙሕ ለውጢ ከምዝህሉ ገሊጹ። ብጫ ማልያ ካብ ግሬዝ ናብ ሪስትሮፖ ቫለንሽያ ጆናታን ዝተሰጋገረት ብጫ ማልያ ሎሚ ተጸዋታይ ቢ ኤንድ ቢ ሆቴልስ ፈረንሳዊ ላውረን ኣግዘል ሒዝዋ ኣሎ። ላውረን ኣግዘል እታ ንመንእሰያት ትውሃብ ማልያ'ውን ኣብ ዝባኑ'ያ ዘላ። ንዝበለጸ መንእሰይ ኣብ እትውሃብ ማልያ ናትናኤል ተስፋጽዮንን ሄኖክ ሙሉብርሃንን ንላውረን ኣግዘል ተኸቲሎም ካልኣይን ሳልሳይን ተሰሪዖም ኣለው። ኣብ ብጫ ማልያ ናትናኤል ተስፋጽን ካብ ቀዳማይ ብ10 ካልኢት ድሒሩ ሳልሳይ ከኸውን እንከሎ ሄኖክ ሙሉብርሃን ኸኣ ካብ ላውረን ኣግዘል ብ17 ካልኢት ድሒሩ ኣብ ሓሙሻይ ተቐሚጡ'ሎ። ሎሚ ራብዓይ ኮይኑ ውድድሩ ዝዛዘመ መትከል እዮብ ኸኣ ብ1 ደቂቕን 55 ካልኢትን ድሒሩ ኣብ መበል 18 ተሰሪዑ ኣሎ። ንዝበለጽ ኣፍሪቃዊ ኣብ ትውሃብ ማልያ ናትናኤል ተስፋጽዮን ቀዳማይ ሄኖክ ሙሉብርሃን ካልኣይ ኮይኖም ይቅጽሉ ኣለዉ። ብጋንታ ናትናኤል ተስፋጽዮን ዝወዳደረላ ድሮፕ ሆፐር ኣንድሮኒ ጆካቶሊ ቀዳመይቲ ኮይና ትመርሕ ኣላ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60494673"} {"headline":"ኡሙጋንዳ፡ ምስጢር ጽሬት መላእ ሩዋንዳ","content":"ስም ሃገረ ሩዋንዳ እንክልዓል ምናልባት ኣብ ኣእምሮ እቶም ቁሩብ ዕብይ ዝበሉ ሰባት ቀልጢፉ ዝቕጀሎም ነገር እቲ ኣብ 1994 ዘጋጠመ ዓሌታዊ ህልቂት እዩ ዝኸውን። ሎሚ ግን ስም እታ ሃገር ብኻልእ እወንታዊ ነገር ክደጋገም ይስማዕ ኣሎ። እቲ ቀንዲ ጽሬት ከተማታታ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዓመታዊ ዝካየድ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ሩዋንዳ እውን ካልእ መስመያኣ እዩ። ምስጢር ጽሬት እታ ሃገር ግን እንታይ'ዩ? ኣብታ ሃገር ኣብ መወዳእታ ቀዳም ናይ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ዝካየድ ወፈራ ጽሬት ኣሎ። እዚ ብኣጸዋውዓ እታ ሃገር ኡሙጋንዳ ተባሂሉ'ዩ ዝጽዋዕ። ኣብታ ዕለት ካብ ንግሆ ሰዓት 8፡00 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ጀሚሩ ኩሉ ካብ 18 ክሳብ 65 ዝዕድሚኡ ሩዋንዳዊ ከካብ ቤቱን ብወደብቲ እቲ ጽሬትን ብዝቕረብ መኾስተር ከባቢኡ የጽሪ። ኣብቲ ክሳብ ሰዓት 11 ዝካየድ ወፈራ ጽሬት፡ ኣብ ጽርግያታት ከተማ ሩዋንዳ፤ ተወዝ ኢላ ትንቀሳቐስ መኪናን ሞተር ብሽክለታን የለዋን። ጋዜጠኛ መደበር ቴሌቪዥንን ራድዮን ቢቲኤን ሲልቨስተር ዊዘማና ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ሩዋንዳ ኣፍደገ ወደብ ዘይብላ ሃገር ስለዝኾነት ካብ ካልኦት ከምኣ ዝኣመሰላ ሃገራት እንታይ ፍልይ ከብላ ዝኽእል ነገር ክግበር ይከኣል ተባሂሉ ተሓሲቡ ብ\"ጽሬትን ንጽህናን\" ከምእትልለ ዝተገብረ ምዃኑ ይጠቅስ። ኡሙጋንዳ ካብ ቀደም ኣትሒዙ ሰረት ዘለዎ ህዝባዊ ወፈራ'ኳ እንተኾነ፡ መንግስቲ፡ ኣብ 2007 ብወግዒ ብኣዋጅ ብምጽዳቕ፡ መዓልቲ ፈልዩ ኣብ ክሊ ዕድመ 18 ክሳብ 65 ዝርከብ ኩሉ ሩዋንዳዊ ካብ ሰዓት 8 ክሳብ 11 ናይ ንግሆ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ዘላ ናይ መወዳእታ ቀዳም ክሳተፎ ከም ዘለዎ ገይሩ ኣጽዲቑዎ። ካብታ ዕለት ኣትሒዙ ኸኣ ክሳብ ብምኽንያት ስግኣት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ደው ዝብል ብዘይምቁራጽ ተኻይዱ። ኡሙጋንዳ ብቋንቋ ኪንያርዋንዳ ኮይኑ፡ \"ሓባራዊ ዕዮ ንሓባራዊ ጥቕሚ\" ዝብል ትርጉም ይወሃቦ። ጋዜጤኛ ሲልቨስተር ዊዘማና ግን ትርጉም ኡሙጋንዳ ኪኖ'ዚ ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ። \"ብሓቂ ነታ ቃል ብእንግሊዝ ቀጥታዊ ትርጉም ዝህብ ቃል የለን። ንዓይ ካብ ክትትርጎም ዋላ ብእንግሊዝ'ውን ኡሙጋንዳ ተባሂላ ክትጽዋዕ'የ ዝመርጽ። ንምዝርዛሩ ግን ሕብረተሰባት ንሓባራዊ ጥቕሚ ብዘይ ዝኾነ ክፍሊትን ድፍኢትን ብሓባር ኮፍ ኢሎም ናይ ሓባር ሕልሞም ዝውጥንሉን ዘተግብርሉን'ዩ\" ይብል። ብተወሳኺ ሲልቨስተር \"ኣብ 1994 ኣብ ልዕሊ ቱትሲ ዝተፈጸመ ዓሌታዊ ጃምላዊ ጨፍጫፍ ኣብ ነብሲ ወከፍ ሰብ ዝገደፎ በሰላ ንኽእለን፡ ዓለም ብዛዕባ ሩዋንዳ ዘለዋ ስእሊ ንኽቕየር ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ገለ ነገር ክግበር ነይርዎ፤ ኡሙጋንዳ ኸኣ መድሕን እዚ ሓሳብ ኮይኑ\" ይብል። ብስራሕ ታክሲ ሓዳሩ ዝኣሊ ረሚ ጀይን ፊደል ብወገኑ \"ኣነ ኣፍደገይ እንተጽርየ፡ ንስኻ ኣፍደጌኻ እንተጽሪኻ፡ እታ ሓፍትና ኣፍደጊአ እንተጽርያ ድምር ናይዚ ኹሉ እያ ሩዋንዳ ትጸሪ፡ እዚ ስለ ዝተገበረ ኸኣ ሩዋንዳ ትልለየሉ ጽሬት ክኸውን ክኢሉ ኣሎ\" ይብል። ኣብ ከተማ ኪጋሊ ዘወር ኣብ እትብለሉ፡ ሳዕሪ ዝዓጽዱ ኣግራብ ዝቅምቕሙ ከምኡ'ውን ሓሓሊፎም ካብ ኣግራብ ዝወደቐ ኣቁጽልቲ ዝኣርዩ እንተዘይኮይኖም ምስ ጽሬታ ዝወዳደር ብዝሒ ናይ ጽሬት ሰራሕተኛታት ኣይርኣዩን'ዮም። ረሚ ጀይን ፊደል ብምስዓብ \"ዝሓለፈ እዋናት ብምኽንያት ስግኣት ኮሮናቫይረስ ኡሙጋንዳ ኣይካየድን'ዩ ነይሩ። እቲ ሰብ ግን ምጽራይ ጥራይ ዘይኮነ ከርስሕ ከም ዘይበሉ'ውን ስለ ዝተመሃረ እዛ ከተማ ከይተኾስተርት'ውን ጽርይቲ እያ። ኣብ መንገዲ ዝጉሕፍ ሰብ ስለዘየለ ርስሓት ኣይርኣይን'ዩ\"። ረሚ ጀይን ፊደል ኣብ 1994 ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ምስ ኣጋጠመ ካብ ኪጋሊ ናብ ርዋምጋና ትብሃል ኣብ ምብራቕ ርዋንዳ ትርከብ ከተማ ከም ዝሃደመ ብምግላጽ 3 ኣሕዋቱን ኣቡኡን ኣብ ኪጋሊ ከም ዝተቐተሉ ይገልጽ። \"ሽዑ (1994) ኣብዛ ከተማ ጉሓፍ ይትረፍ ሬሳ ሰብ ብአኽልብቲ ይጉተተን ይብላዕን ነይሩ። ሕጂ ግን ኣይኮነን ንሰማዒ ነቶም ብኣካል ዝነበርናን ቤተሰብና ዝተቐተሉናን'ውን እቲ ቦታ ኣበይ ከም ዝነበረ ክሳብ ዝጠፍኣና እያ እዛ ከተማ ተቐይራ\" ይብል። ኡሙጋንዳ ካብ ናይ ጽሬት ወፈራ ሰጊሩ፡ ንዘኽታማት ምእላይን ገዛ ምህናጽን ንሰብኡተን ዝሞትወን ምሕብሓብን ኣብ ሕርሻ ምሕጋዝን ዝኣመሰለ ስራሓት ዝካየደሉ ህዝባዊ ወፈራ እውን እዩ። ጎኒ ጎኑ ወፈሪ ኡሙጋንዳ መንግስቲ ርዋንዳ ኣብ 2005 ኣብታ ሃገር ብፕላስቲክ ዝተሰርሐ ሻንጣታት ከይኣቱን ኣብታ ሃገር ከይስራሕን ዝኽልክል ተሪር ሕጊ ኣተኣታትዩ። ኣብ 2004 ኬንያዊት ተጣባቒት ስነ ኣከባቢ ዶክተር ዋንጋሪ ማታይ ሽልማት ኖቤል ዝዓተረትሉ እዋን ብምንባሩ ኣፍሪቃውያን ከባቢኦም ንምዕቃብ ዝተበራበርሉ እዋን ከምዝነበረ እዩ ዝግለጽ። ሩዋንዳ ግን ሽዕኡ ጭራ ነብሪ ምስ ሓዘት ክሳብ ሕጂ ኣይፈነወቶን። ኣብታ ኡሙጋንዳ ዝካየደላ ቀዳም ኩሉ ሓደ ዓይነት ትግሃት ስለ ዘይህልዎ፡ መንግስቲ ነቶም ኣብቲ ሓባራዊ ወፈራ ዘይሳተፉ ሰባት ብፖሊስ እናሓዘ 5000 ፍራንክ ሩዋንዳ [ኣስታት 5 ዶላር] ይቐጽዖም። እዚ፡ ነቶም ወርሓዊ ብማእከላይ ገምጋም 150 ዶላር ዝኽፈሉ ሩዋንዳውያን ብዙሕ ምዃኑ'ዮም ዝገልጹ። መንግስቲ ሩዋንዳ ነቲ ኣብ 2005 ብኣዋጅ ዘጽደቖ ምእጋድ ፌስታል፡ ዝያዳ ተግባራዊ ንምግባሩ፤ ፍርያት ፕላስቲክ ናብ ሃገር ከእቱ ዝተረኸበ ሰብ ንሽዱሽተ ወርሒ ብጽኑዕ ክእሰርን ብቐጻሊ ኣብ ትካላት ንግዲ ተፍትሽ ክካየድን ዝብል ሕጊ'ውን ኣተኣታትዩ እዩ። ቅድሚ 2006 ኣብታ ከተማ ፈቐድኡ ናይ ጉሓፍ ፕላስቲክ ከም ዝነበነረ ዝገልጽ ጋዜጤኛ ሲልቨስተር ዊዘማና፡ መንግስቲ ተጠቃምነት ፕላስቲክ ዝኽልክል ኣዋጅ ምስ ኣሕለፈ ግን ዕላማ ኡሙጋንዳ ዕዉት ንኽኸውን ቀንዲ ሮቛሒ ምንባሩ ይሕብር። ንኡሙጋንዳ ዝቃወምዎ ሰባት ግን ኣይስኣኑን'ዮም። ኡሙጋንዳ ኣብ ዝካየደላ መዓልቲ ኩሉ ኣብያተ ንግዲ ስለ ዝዕጾ ሰብ ዱኳን ካብ ስራሕ በዂሮም ከም ዝውዕሉ ክገልጹ እንከለዉ፡ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣገዳሲ መገሻ ዘለዎ ሰብ'ውን እንተኾነ ዝኾነ ዓይነት መጓዓዝያ ስለ ዘይርከብ ብዙሕ ከም ዝከላበቱ ይዝረብ። ረሚ ጀይን ፊደል ከኣ ነዚ ብምምልካት \"እወ ኣብታ ቀዳም ካብ ብዙሕ ስራሕ ዝበኩር ሰብ ኣሎ። ብፍላይ ናብዚ ሃገር ዝመጽኡ ገያሾ ኣብ ሓጺር መዓልቲ ናብ ብዙሕ ቦታታት ክብጽሑ ስለዝውጥኑ እታ ኡሙጋንዳ እትካየደላ መዓልቲ ቀጨውጨው ተብሎም'ያ\" ይብል እዚ ጥራይ ግን ኣይኮነን፡ ገለ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እቶም ኣብ ኡሙጋንዳ ዘይሳተፉ ሰባት መንግስቲ ስለ ዝቐጽዖም፡ ኡሙጋንዳ ግዱድ ዕዩ እዩ ክብሉ ከምዝገልጹዎ ይዛረቡ። ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ ኣብ ግሪን ፓርክ ስኵር፡ ንጎደና ኪጋሊ 14 ሒዝካ ንላዕሊ ኣብ ትድይበሉ ንጸጋምካ ኣስክሬናት 250 ሽሕ ግዳያት ጃምላዊ ህልቂት 1994 ዝተቐመጦ ቤት መዘክር ኣሎ። ኣብቲ ካብ ሚያዝያ ክሳብ 18 ሓምለ 1994 ዝተኻየደ ዓሌታዊ ምጽናት ከኣ ኣብ 100 መዓልታት ልዕሊ 800 ሽሕ ሰባት ከም ዝተቐተሉ ይንገር። እቲ ቑጽሪ ካብኡ ኣዝዩ ክልዕል ከም ዝኽእል ዝምጉቱ እውን ኣለዉ። ኣብቲ ቤተ መዝክር፡ ኣብቲ ናይ 1994 ኣሰቃቒ ፍጻሜ ሰባት ዝቕተልሉ ዝነበሩ ከም ብረት፣ ፋስ፣ ጎዞሞ፣ ካራሩ፣ ከቢብ ርእሲ ዘለዎ ኣባትርን ካልእ በላሕቲ ነገራትን ኣብ ውሽጢ ቬትሮ ንምርኢት ተዘርጊሖም ይርከቡ። ኣብ ውሽጢ ኸኣ ንታሪኽ ሩዋንዳ፡ ንኣበጋግሳ ዓሌታዊ ምጽናትን ኣብ ካልእ ሃገራት ዝተራእየ ተመሳሳሊ ህልቂትን ብስእሊ፡ ብተንቀሳቓሲ ምስልን ጽሑፍን ዝተሰነየ መግለጺታት ኣለዎ። ኣብቲ ቬትሮታት ዝተረበ ሽክናታት፡ ግዳያት ኣብ እዋን መርዐኦም፡ ሽዑ ዝተቐትሉ ህጻናት ከኣ ኣብ ዕለተ ልደቶም ዝተሳኣልዎ ኣሳእልን ብኸመይ ከምዝተቐተሉ ዝገልጽ መብርሂታት ኣለዎ። እንተኾነ እዚ ቤተ መዘክር እዚ ኣብ መዓልቲ ኡሙጋንዳ ክሳብ ሰዓት ክልተ ናይ ምሸት ተዓጽዩ እዩ ዝውዕል።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60823823"} {"headline":"ዙር ርዋንዳ 2022፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ ብጫ ማልያ ብማዕረ ግዜ ካልኣይ ኮይኑ","content":"ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ሓሙሻይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ተቐዳዳማይ ቶታል ኢነርጂ ኣሌክሳንደር ገኔዝ ክዕወት እንከሎ፡ ተጻዋታይ ቢ ኤንድ ቢ ሆቴልስ ሮላንድ ካልኣይ ተቀዳዳማይ ቤንዲክሽን ኢግኒት ርዋነዳዊ ኤሪክ ማንዛባዮን ሳልሳይ ኮይኖም ዛዚሞም። ኣሌክሳንደር ገኔዝ ኣብ መኽፈቲ ጸወታ ዕዉት ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ኮይኑ ዝነበረ እዩ። ኣብዚ ናይ ሎሚ መድረኽ እቲ ኣብ ኩለን ዝሓለፋ መድረኻት ምስ ቀዳሞት ሽዱሽተ ክወጽእ ዝጸንሐ ሄኖክ ሙሉብርሃን ካብቲ ንውድድሩ ብ3 ሰዓትት፡ 12 ደቂቕን 14 ካልኢትን ቀዳማይ ኮይኑ ዝወጽአ ኣሌክሳንደር ገኔዝ 20 ካልኢት ድሒሩ ራብዓይ ወጺኡ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን'ውን ብተመሳሳሊ ግዜ 8 ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ ኣሎ። ናይ ሎሚ ጸወታ ካብ ሙሀንጋ ናብ ከተማ ሙሳንዘ ናይ 124.7 ኪሎሜተር ኮይኑ ተቐዳደምቲ ኣብ መጀመርታ 9 ኪሎሜተር ን4 ኪሎሜተር 4.4 ሚኢታዊት ትረት ዓቐብ ዘለዎ ጥውይዋይ መንገዲ ወጺኦም ንኣስታተ 20 ኪሎሜተር ቁልቁለት እዩ ተጸብይዎም። ኣብ መበል 23.8 ኪሎሜተር ኸኣ 2 ኪሎሜተር ንውሓት ዘለዋ ተራር ዓቐበት ካሞንዮ ተጸብያቶም። ስጳኛዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ በርጎስ ቢኤች ኣንገል ማድራዞ ብጫ ማልያ ሎሚ ተረኪቡ ኣሎ። ኣንገል ማድራዞን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ብድምር ክሳብ ሕጂ ንዝተሰርዓሎም ኪሎ ሜተራት ብ13 ሰዓት፡ 57 ደቒቕን 52 ካልኢትን ብማዕረ ብምዝዛም ቀዳማይን ካልኣይን ኮይኖም ኣለዉ፡ ተቐዳዳማይ ትራንጋኑ ፖሊጎን ኣናቶሊ ቡድያክ ብሽዱሽተ ካልኢት ድሒሩ ሳልሳይ ክስራዕ እንከሎ፡ ሎሚ ራብዓይ ኮይኑ ዝኣተወ ተቐዳዳማይ ባይክ አይድ ሄኖክ ሙሉብርሃን ካብ ቀዳማይ ብሸውዓተ ካልኢት ድሒሩ ኣብ ራብዓይ ተሰሪዑ ኣሎ። ትማሊ ራብዓይ ኮይኑ ዝኣተወ መትከል እዮብ ኸኣ ኣብ ብጫ ማልያ 1 ደቒቕን 55 ካልኢትን ድሒሩ መበል 11 ተሰሪዑ ኣሎ። ንዝበለጹ ኣፍሪቃውያን ከምኡ ኸኣ ንዝበለጹ መንእሰያት ዝውሃበ ማልያታት ናትናኤል ተስፋጽዮንን ሄኖክ ሙሉብርሃንን ቀዳማን ካልኣይን ኮይኖም ሒዞምወን ኣለዉ። ናትናኤል ተስፋጽዮን ሎሚ ሰለስተ ግዜ ንሽልማት ናብ ፓንድዮም ደይቡ፡ ዝበለጸ መንእሰይ፡ ዝበለጸ ኣፍሪቃውን ምስታ ነዚ ውድድር ብመሪሕነት ትቅልሶ ዘላ ጋንትኡ ደሮን ሆፐር ኣንድሮኒ ጂካቶሊ ብምዃን። ንኣንበሳ ዓቐብ እትወሃብ ማልያ ጅያን ቦስኮ 33 ነጥቢ፡ ሳሜኤል ሞጉሻ 30 ነጥቢ ላወረን ኣግዘል ኸኣ 23 ነጥቢ ብምውህላል ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ተሰሪዖም ኣለዉ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60509663"} {"headline":"ህልቂት ሩዋንዳ፡ ሓንቲ ዘኽታም ዘጓነፋ 'ተኣምራት'","content":"እዚ ዛንታ'ዚ ማሕበራዊ-መራኸቢ ዝፈጠሮ ተኣምራት'ዩ - ብ 1994 ኣብ ክልተ ዓመታ ዝዘኽተመት ቆልዓ ድሕሪ 26 ዓመታት ብማሕበራዊ-መራኸቢ ኣቢላ ሰባ ብኸመይ ኣገባብ ከም ዝረኸበት የዘንቱ። ስማ ግረይስ ኡሙቶኒ ይበሃል። ግረይስ ኣብ እዋን ህልቂት-ሩዋንዳ ስም-ልደታ ከይፈለጠቶ'ያ ናብ መዕበያ ቆልዑ ዝኸደት። ምስ ዓበየት ግን ናይ ሓቂ መንነታ ንምፍላጥ ተገዳስነት ኣጥረየት። ኣሳእላ ኣብ ናይ ዋትሳፕ ጕጅለታት፡ ፈይስ-ቡክ ኰነ ትዊተር ብምዝርጋሕ ሃሰው ክትብል ጀመረት - እዚ ብወግዓዊ ኣገባብ ደልያ ምስ ቀበጸት ዝወሰደቶ ስጕምቲ ነበረ። እዛ 28 ዝዕድሚኣ ነርስ ብዛዕባ ኣተዓባብያኣ ትፈልጥ ነይራ፣ ብንእሽቶኣ ምስ ምዕባያ ሓዋ ዀይና ካብቲ ዝተወልዱሉ ከባቢ ናብ ኪጋሊ (ርእሲ-ከተማ) ዝርከብ መዕበያ ዘኽታማት ከም ዝተወስደት ትፈልጥ ነበረት። ሓዋ ግን ቁሩብ ጸኒሑ ብሞት ተፈልዩዋ'ዩ። ከም ግረይስ ዘኣመሰሉ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ቈላዑ፡ ስድሮኦም ዝተቐትሉዎምን በቲ ሽዑ ዝተፈጥረ ቅዝፈት መሰረት ካብ ስድርኦም ዝተፈላለዩን፡ ምንባሮም ዝዝከር'ዩ። ብዙሓት ካብ'ቶም ሽዑ ዝተመዛበሉ ቈልዑ ጌና ኣመት ስድሮኦም እናገበሩ'ዮም። ስድራ-ቤታት ሩዋንዳ (ከም ኤውሮጳውያን) ሰንሰለታዊ ስም ኣቦዋቶም ስለ ዘይዋራረሱ፡ እቶም ዝጠፍኡ ቈልዑ ኣሰር ስድርኦም ብቐሊሉ ክረኽቡ ኣይክእሉን'ዮም። ግረስይ ስእላ ኣብ ማሕበራዊ-መራኸብ ምስ ለጠፈቶ ገለ-ገለ ሰባት ንወዝቢ ይምሉሱላ ነይሮም'ዮም፣ ኣዋርሕ ምስ ሓለፉ ግን ሓደ ክእመን ዝከኣል ሰብ \"ንሓብተይ ትመስሊ\" ኢሉ መለሰላ። ሓደ ኣንትዋን ሩጋጊ ዝተባህለ ሰብ እቶም ግረይስ ኣብ ዎትሳፕ ዝለጠፈቶም ኣሳእል ድሕሪ ምርኣይ \"ንስኺ ነታ ብሚያዝያ 1994፡ እቲ ህልቂት ጅምር ክብል ዝሞተት ሓብተይ - ሊልዮዝ ካሙካማ - ኢኺ ትመስሊ\" ክብል ጸሓፈላ። \"እቲ ዝጽልዮ ዝነበርኩ ተምራት እንክገሃድ\" \"ምስ ረኣኽዎ መልክዕና ንመሳሰል ኰይኑ ረኺበዮ\" ኢላ ግረይስ ኡሙቶኒ እቲ ሰብኣይ ኣኮኣ ክኸውን ከም ዝኽእል ንቢቢሲ ሓበረት። \"እቲ ሓቁ ንምፍላጥ ግን፡ ማለት ኣዝማድ ምዃንና፡ ናይ ዲ.ኤን.ኤይ. ምርመራ ከም ዜድልየና ተረዳእኩ፣ ኰይኑ ድማ ዝሓለፈ ሓምለ ሓቢርና ንኪጋሊ ወረድና።\" እቲ ምርመራ ድሕሪ ምክያዱ ዉጽኢቱ ንክፈልጡ ተታሒዞም ናብቲ ሆስፒታል ተጕዕዙ። እቲ ሰናይ መዓልቲ ጽቡቕ ወረ ሒዙሎም መጸ - 82% ይዛመዱ ከም ዝዀኑ ተረጋገጸ። \"ልበይ ተመሺቱ፡ ሓጐሰይ ካብ ምግላጽ ክቝጠብ ኣይከኣልኩን። ዋላ ሎሚ'ውን እንተዀነ ኣብ ሕልሚ ዘሎኹ ኰይኑ ይስምዓኒ። እቲ ፍጻሜ'ቲ ልክዕ ነቲ ብሃንቀውታ ዝጽበዮን ዝጽልዮን ዝነበርኩ ተኣምራት ኰይኑ ተሰሚዑኒ\" ትብል ግረይስ። ኣኮኣ ከም ዝበላ፡ ግረይስ ምስ ተወልደት ስድርኣ ዪቨት ሙምፖረዘ ዝብል ስም ከም ዝሃቡዋ ነገራ። ኣኮኣ ምስ ኣዝማድ ኣቦኣ ኣፋለጣ፣ እንኮላይ ማሪ ሆዘ ባኩራ - ኣሞኣ ምዃና'ዩ። ማሪ፡ ብምኽንያት ኮቪድ ኣብ ስዊዘርላንድ ተሸኺላ ዝተረፈት ሰባ ኢያ። ቅድሚ እቲ ዉጽኢት ናይ'ቲ ዲ.ኤን.ኤይ. ምርመራ ምፍላጡ እታ ኣሞኣ ግረይስ ጓል-ሓዋ ምዃና በቶም ናይ ቤተ-ሰብ ኣሳእል ኣቢላ ኣረጋጊጻ ነበረት። \"እዛ ጓል'ዚኣ ጓል ኣፕሪስ ሓወይን ሊልዮስን (ሰ'ይቲ ሓወይ) ምዃና ተረድኣኒ - ክልቲኦም ከኣ ኣብ'ቲ ጊዜ ህልቂት ሩዋንዳ ዝጸነቱ ሰባት'ዮም ነይሮም\" በለት። \"ዝደሓነ ሰብ ከም ዘይነበረ ይመስለና ነይሩ\" ግረይስ ካብ ኣሞኣ መሪ ባኩራ ዝረኸበቶ ሓበሬታ መሰረት፡ ሓው ከም ዝነበራ፡ ምስኣ ኸኣ ናብ መዕበያ ቆልዑ ዝተዓቝበ ስሙ ኸኣ ዪቨስ-ሙክዮ ይበሃል ከም ዝነበረ ፈለጠት። ዪቨስ ጸኒሑ ካብ ዓለም ከም ዝተፈልየ ልዕል ኢልና ሓቢርና ነርና። ግረይስ ዘይትፈልጦ ዝነበረት ሓበሬታ፡ ካልእ ወዲ ሓደ ዓመት ፋብሪስ ዝስሙ ሓው ከም ዝነበረ ኸኣ ብተወሳኺ ሓበረታ። እቲ ህልቂት፡ እቶም ፕረዚደንትታት - ናይ ሩዋንዳን ቡሩንዲን - ክልቲኦም ካብ ዓሌት ሁቱ፡ እታ ዝጕዓዙላ ዝነበሩ ነፋሪት ኣብ ሰማይ ከላ ተሃሪማ ብምውዳቓ'ዩ ተቐስቂሱ። እታ ነፋሪት ዝወደቐትሉ መዓልቲ 6 ሚያዝያ 1994 ነበረ። እቲ ቕትለት ከኣ ንጽባሒቱ'ዩ ጀሚሩ። ምልሽያ ሁቱ እቶም ነታ ነፋሪት ዘውደቑ ኣባላት ዓሌት ቱትሲ - ማሕበረሰብ ዉሑዳን ጕጅለ - ምዃኖም ተነግሮም። ብቐዳምነት ኒያሚራምቦ ዝበሃል ኣብ ዉሽጢ ኪጋሊ ዝረከብ ከባቢ - ኣባላት ዓሌት ቱትሲ ዝነብሩሉ ቦታ - ተጠቕዐ። ስድራ-ቤታ ንግረይስ ኣብኡ ይነብሩ ነበሩ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ዉሽጢ ገዝኦም ከሎዉ ብሴፍ ተሓሪዶምን ተጨፍጪፎምን ሞቱ፣ ካልኦት ድማ ኣብ ብሎኮታት ተዓጊቶም ተቐትሉ። ኣብ'ቲ ሽዑ ዝተፈጥረ ፍጹም ሕንፍሽፍሽ እቶም ኣብ ከባቢ ኒያሚራምቦ ዝርከበኡ ኣብያተ ቤት-ክርስትያንን መሳጊድን ዝተዓቝቡ'ውን ኣይተማሕሩን። መሪ ባኩራ ከም ዝመስከረቶ፡ ንግረይስ ኣሞኣ ማለት'ዩ፡ ሓደ ሰብ ንዪቨስ ሒዛ ክትሃድም ዝረኣያ ሰብ ነይሩ'ዩ፣ ብዛዕባ ጓላ ሓበሬታ ከም ዘይነበረ ተዘንቱ። ፖል ኪጋመ፡ መራሒ ናይ'ቲ ብዓሌት ቱትሲ ዝምራሕ ግንባር ሓርበኛታት ሩዋንዳ ኣብ ስልጣን ምስ መጸ እቲ ህልቂት ብሓምለ 1994 ደው በለ። \"ሓደ ሰብ'ኳ ዝደሓነ ኣይመስለናን ነበረ፣ እኳ ድኣ እቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝኽበር ዓመታዊ ተዝካር ንዝተቐትሉ ኣባላት ቤተ-ሰብና ብወግዒ ንዝክሮም ነበርና\" ትብል መሪ ባኩራ። ግረይስ ክትዓቢ ኸላ፡ ሓዋ ኣብ መዕቈቢ ዘኽታማት ዝሞተሉ እዋን፡ ብዛዕባ ሓዋ ዝረኸበቶ ሓበሬታ ኣይነበረን - እንትርፎ ካብ'ቶም ቀተልቲ ሚሊሽያ-ሁቱ ክሃድም ተወጊኡ ከም ዝነበረ፡ ቍስሉ ኸኣ ክሓዊ ስለ ዘይከኣለ ክድሕን ከም ዘይከኣለ ጥራይ'ዩ ተሓቢሩዋ። ግረይስ ኣርባዕተ ዓመት ምስ መልአት ካብ'ቲ መዕበያ ዘኽታማት ወጺኣ ናብ ቱትሲ ዝዓሌቶም ዘኽታማት ዘዕብዩ ስድራ-ቤት ተላእከት። እቲ ቦታ ኣብ ደቡብ ሸነኽ ነበረ፣ እቶ ዘዕበይዋ ድማ ግረይስ ኡሙቶኒ ዚብል ስም ኣውጽኡላ። \"ቃዚነ እነብር ነበርኩ\" \"ኣብ ካልኣይ ደረጃ ምስ በጻሕኩ እቶም ሓለፍቲ ቤት-ትምህርቲ ንክሕግዙኒ ኢሎም ናብቲ ዝነበርኩሉ መዕበያ ዘኽታማት ከይዶም ብዛዕባይ ሓበሬታ ደለዩ፣ ገለ'ኳ ክረኽቡ ኣይከኣሉን\" ትብል ግረይስ። \"መበቆለይ ከይፈለጥኩ እነብር ስለ ዝነበርኩ ኩሉ ጊዜ እቓዝን ነበርኩ፣ ጸገመይ ብተኣምር መፍትሐ ንክርከበሉ ኸኣ ዘንት-እለት እጽሊ ነበርኩ\" ኢላ ወሰኸትሉ። \"ዋላ'ኳ እቶም ዘዕበዩኒ ቤተ-ሰብ ብጽቡቕ ክንክን እንተ ኣዕበዩኒ፡ ብዛዕባ መበቆለይ ካብ ምሕሳብ ኣየዕረፍኩን፣ ካብ ስም ሓወይን ዝተወለድኩሉ ቦታን ሓሊፉ ሓበሬታ ኣይነበረንን - ናይ ሓቂ ዛንታይ ንምድህሳስ ዜኽእል ተወሳኺ ሓበሬታ ኣይነበረንን።\" ግረይስ ብዛዕባ ወለዳ ንምፍላጥ ዘሎዋ ህንጥይና ዓቢዩ - ኣብ ዉሽጢ ሩዋንዳን ግዳምን ዝረከቡ ቤተ-ሰባ ንክተኣኻኸቡ መደብ ምስ ወጸ ብዝርጋሐ-ኮሮናቫይረሰ ተደናጎየ። ንጊዜኡ ግረይስ ብዋትሳፕ ኣቢላ ንኣዝማዳን መቕርብኣንን ሓደ-ብሓደ ኣብ ምፍላጥ ትርከብ፣ ብሸነኽ ኣቦኣ ዝተወልደ ኣብ ኪጋሊ ዝነብር ዓቢ ሓው ከም ዘሎዋ'ውን ተሓበረት። \"ነቶም ዘዕበዮዋ ስድራ-ቤት ምስጋና ይብጻሓዮም\" ኣብ ሩዋንዳ፡ ካብ 1995 ጀሚሩ ማዕረ 20,000 ቈላዑ ብማሕበር ቀይሕ-መስቀል ኣቢሎም ምስ ስድራ-ቤቶም ክትኣኻኸቡ ክኢሎም'ዮም። ኣፈኛ \"ሩዋንዳ-ረይቸል-ኡዋሰ\" ዝተባህለ ማሕበር ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ \"ክሳብ ሕጂ ካብ'ቲ ህልቂት ኣምሊጦም ኣብ መዕቈቢ ዘኽታማት ዘጽለሉ ሰባት ብዛዕባ ሃለዋት ቤተ-ሰቦም ይውከሱና'ዮም\" ይብል። ኣብ ዉሽጢ 2020፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ካብ ቤተ-ሰቦም ተፈልዮም ዝነበሩ 99 ሰባት ብቀይሕ-መስቀል ኣቢሎም ምስ ሰቦም ክተኣኻኸቡ ክኢሎም'ዮም። ንመሪ ባኩራ፡ ንግረይስ ብምርካባ ተመስግን ኢያ። \"ነቶም ዘዕበይዋ ስድራ-ቤት ስም ሂቦም ተኸናኺኖም ስለ ዘዕበይዋ ድማ ምስጋና ይግብኦም\" ትብል። ግረይስ ድማ ነቲ ዝተዋህባ ስማ ስለ ዘዕበያ ዘለውጥ ምኽንያት ከም ዘይብላ ትዛረብ። ንማሕበራዊ-መራኸቢ ግን ምስ ሰባ ክትፋለጥ ስለ ዘኽኣላ ኣዝያ'ያ ተመስግን። \"ምስ ኵሎም ሰበይ ብዋትስኣፕ እራኸብ'የ - ምስ መቕርበይ፡ ሓትነታተይ፡ ሓወይ\" ትብል ግረይስ። \"ምሉእ ህይወተይ መበቆለይ ከይፈለጥኩ'የ ነቢረ፣ ሕጂ ግን ብኣይ ዝግደሱ ዘዕበዩንን ናይ ሓቂ ወለደይን ብምፍላጠይ ዓቢ ጸጋ ምዃኑ ተረዲኡኒ\" ትብል ግረይስ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55525712"} {"headline":"ርዋንዳዊ ፖለቲከኛ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብጥይት ተቐቲሉ","content":"ሓደ ኣባል ተቓዋሚ ውድብ ርዋንዳ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተሰዲዱ ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ስራሕ እንከሎ ብጥይት ከምዝተቐተለ ተገሊጹ። እቲ ሰይፍ ባምፖሪኪ ዝተብሃለ ርዋንዳዊ ብሰንበት ናብ ሓደ ዓሚሉ ንብረት እናኣብጸሐ እንከሎ ኣብ ኬፕ ታውን ከምዝተቐተለ ጸብጻባት ሓቢሮም። እቲ ቅትለት ፖለቲካዊ ድፍኢት ይሃልዎ ኣይሃልዎ ግን ዝተፈለጠ ነገር የለን። እቶም ነቲ ቅትለት ዝፈጸሙ ሰባት ሞባይላትን ማሕፉዳን ናይ ሰይፍ ባምፓሪኪ ሒዘሞ ከምዝኸዱ'ውን ተፈሊጡ ኣሎ። ምስቲ ቅትለት ብዝተሓሓዝ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ሰብ'ውን ክሳብ ሕጂ የለን። ሰይፍ ባምፖሪኪ፡ ኣወሃሃዲ ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ ርዋንዳ ዝነብረ እዩ። ውሃቢ ቃል ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ ርዋንዳ፡ ኢተነ ሙታበ ኣዚ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሰይፍ ባምፖሪኪ ኣብ ኬፕታውን ዓራውቲ ዝሽጠሉ ድኳን ከምዝነበሮን ሓደ ሰብ ዓራት ከምዝደለየን ናብ ገዝኡ ከምጽኣሉ ብተሌፎን ከምዝሓተቶን ገሊጹ። ሰይፍ ባምፖሪኪ ነቲ ዓራት ከብጽሕ ምስቲ ዓሚሉ ኣብ ኬፕታውን እንያንጋ ናብ ዝብሃል ቦታ ምስ ኸደ ሓደ ሰብ ብፍኒስትራ ናይታ መኪና ሓንቲ ጥይት ተኲሱ ከምዝቐተሎ እቲ ውሃቢ ቃል ንቢቢሲ ኣብሪሁ። ኣብ ኬፕ ታውን እቲ ንያንጋ ዝብሃል ገዛውቲ ኣዝዩ ሓደገኛን ገበናት ዝፍጸመሉ ቦታ ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/56151679"} {"headline":"ርዋንዳዊ በዓል ሃፍቲ ኣብ ሞዛምቢክ ብጥይት ተቐቲሉ","content":"ርዋንዳዊ በዓል ሃፍቲ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ሞዛምቢክ ዝኾነት ማፑቶ ሒደት ኪሎሜትራት ርሒቓ ኣብ እትርከብ፡ ማቶላ ዝተብሃለት ከተማ ብጥይት ተቐቲሉ። ርቮካንት ካረማንጊንጎ፡ ካብ መንበሪ ገዝኡ 50 ሜትሮ ርሒቑ እዩ ትማሊ ሰኑይ ተቐቲሉ። ንሱ፡ ብሰለስተ መኪና ተጻዒኖም ዝመጽኡ ዕጡቓት እዮም ተኹሲ ከፊቶምሉ ተባሂሉ። መንነት እቶም ቀተልቲ ኮነ፡ ምኽንያት እቲ መቕተልቲ ዛጊድ ዘይተፈልጠ እንትትኸውን፡ እቲ ገበን ኣብ’ቲ ከባቢ ንዝነብሩ ማሕበረሰብ ርዋንዳ ኣደንጊጽዎም ይርከብ። ፖሊስ ናይ ፎረንሲክ ስራሕቲ ኣብ ምስራሕን ኣብ ምጽራይን ዝርከብ ኮይኑ፡ እቲ ኣስከሬን ንምርመራ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ ተባሂሉ። ገለ ርዋንዳውያን፡ እቲ ዝተቐትለ፡ ንመንግስቲ ርዋንዳ ዝቃወም ኮይኑ፡ ኣብ ሃገሮም ኣብ ዒላማ ካብ መንጎ ዝኣተዉ ሰባት ሓደ እዩ ነይሩ ክብሉ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቦም። ማሕበር ኣብ’ታ ሃገር ዝርከቡ ርዋንዳውያን፡ እቲ ውልቀ ሰብ ስደተኛ ኾይኑ ኣብ መሸጣ መድሓኒት ዝነጥፍ እዩ ኢሎም። ብመንግስቲ ርዋንዳ ድማ ክድለ ዝጸንሐ ምዃኑ ተዛሪቦም። ኣብ 2019 ለዊስ ባዚጋ ዝተብሃለ ካልእ ርዋንዳዊ ብተመሳሰሊ መገዲ ከምዝተቐትለ ይዝረብ። መንግስቲ ርዋንዳ፡ ካብ ሃገር ወጻኢ ኮይኖም ንዝቃወምዎ ሰባት ይቐትል እዩ ዝብል ክስታት ዝቐርበሉ ኮይኑ፡ መንግስቲ ርዋንዳ ነቲ ክሲ ኣይቅበሎን።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58558454"} {"headline":"ርዋንዳዊ ኮኾብ ሙዚቃ ሂፕሆፕ ጀይ ፖሊ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞይቱ","content":"ሓደ ካብ ኣዝዮም ፍሉጣት ራፐራት ርዋንዳ ዝኾነ ጀይ ፖሊ ኣብ መበል 33 ዓመቱ ኣብ ሆስፒታል ኪጋሊ ህይወቱ ሓሊፉ። እቲ ሙዚቀኛ ብዕጸ ፋርስ ተኸሲሱ ኣብ ማእሰርቲ ኮይኑ ፍርዱ ክኸታተል ዝጸንሐ ኮይኑ ብሓሙስ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ። ነቲ ቤት ማእሰርቲ ዘካይዶ ኣገልግሎት ተሃድሶ ርዋንዳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ሙዚቀኛ ሜታኖልን ዝተባህለ መምከኒ ምስ ሽኮርን ማይን ወሲኹ ድሕሪ ምስታዩ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወሰደ ሓቢሩ። ጀይ ፖሊ ንቀይድታት ኮቪድ-19 ብምጥሓስ ኣብ ገዝኡ ፓርቲ ድሕሪ ምግባሩ እዩ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ተኣሲሩ። ሓው፡ ማውሪስ ኡዌራ ኣገልግሎት ተሃድሶ ርዋንዳ ዝኾነ ዝርዝራት ከይሃበ ጀይ ከም ዝሞተ ከም ዝሓበሮ ተዛሪቡ። ኣብ ናይሮቢ ኬንያ እትርከብ ዓርኩ ኬሲ ካዮንጋ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ ምስቲ ኮኾብ ናይ ነዊሕ ትልሚ ከም ዝነበሮም ገሊጻ። \"ኣዝየ'የ ጉህየ፤ ናብ ርዋንዳ ክሳዕ ዝበጽሕን ብዓይነይ ዝርእዮን ክኣምን ኣይካልኩን። ዝኾነ ምስ ጀይ ፖሊ ዝተራኸበን ምስኡ ዝነበረን ሰብ፡ ብፍቕሩ፣ ብሕያውነቱን ብፍሽኽትኡን ክዝክሮ'ዩ\" ኢላ። ብዙሓት ርዋንዳውያን ኣድነቕቱ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓዘኖም ይገልጹ ኣለው።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58432142"} {"headline":"ጅግና ፊልም ‘ሆቴል ርዋንዳ’ ኣብ መጋባእያ ግብረ ራዕዲ 'ኣይቀርብን' ኢሉ","content":"ሆሊውድ ኣብ ዘሰናደኦ ‘ሆቴል ርዋንዳ’ ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ ፊልም፡ ጅግና ኾይና ዝዋሳእ ውልቀሰብ፡ ኣብ ዝተመስረቶ ክሲ ግበረ ራዕዲ ኣብ መጋባእያ ኣይርከብን ኢሉ። ፖል ሩስስኣባጊና፡ “እቲ ቤት ፍርዲ መሰለይ ስለዝገፈፈኒ፤ ካብኡ ዝጽበዮ ፍትሒ የለን። ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብቲ መጋባኣያ ኣይርከብን” ኢሉ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ርዋንዳ ኪጋሊ ንዝርከብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ። ቅድም ክብል፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ እቲ ጥርጡር ግብረ ሽበራ፡ ክሱ ንድሕሪ ሽድሸተ ወርሒ ክናዋሓሉን፡ ንሱ ድማ ናይ ባዕሉ ናይ ቤልጂም ጠበቓ ሒዙ ክቐርብ ክፍቀደሉን ሓቲቱ ነይሩ። እንተኾነ፡ እቲ ቤት ፍርዲ፡ 'ሕጊ ንድሕሪት ተመሊሱ ኣይሰርሕን' ዝብል ዓንቀጽ ሕጊ ብምጥቃስ፡ ንዕኡ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ 20 ጥርጡራት ዝተመስረተ ክሲ፡ ኣብ እዋኑ ክካየድ በይኑ። እንተኾነ፡ ሕዚ ንሱ ኣብ ዘይተረኽበሉ ክፍረድ ምዃኑ እዩ ዝዝረብ ዘሎ። እቲ ወዲ 66 ዓመት ውልቀሰብ፡ ግልጺ ብዘይኮነ መገዲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዱባይ ተታሒዙ ነይሩ። ንሱ፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ተጨውዩ ናብ ርዋንዳ ክበርር ከምዝተገብረ እዩ ዝዛረብ፤ እቲ ቤት ፍርዲ ግና ተገዲዱ ዘይኮነስ ተታሊሉ እዩ መጺኡ’ሞ፡ ፍርዱ ኣብ ርዋንዳ እዩ ክረክብ ዘለዎ ኢሉ። እዚ ፍሉጥ ነቓፊ ፖል ካጋሜ ዝኾነ ውልቀሰብ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ 2018ን 2019ን ኤፍ.ኤል.ኤን ብዝበሃል ጉጅለ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ እዩ ዝሕተት። እቲ ጉጅለ፡ ዕጡቕ ክንፊ፡ ንሱ ብምክትልነት ዝመርሖ ‘ምንቅስቓስ ርዋንዳ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ’፡ ዝብል ሰልፊ ዝርከቦ ጥምረት ዓመጽቲ ውድባት እዩ። ፖል፡ ኣብቲ ናይ 2004 'ሆቴል ርዋንዳ' ፊልም ዳን ቺድል ብዝብል ምስተዋስአ እዩ ስሙ ገኒኑ። ካብ ርዋንዳ ኣብ 1996 ዝወጽአ ኾይኑ፡ ኣብ ቤልጂም ፖሊቲካዊ ዕቑባ ሓቲቱ ዜግነት’ውን ረኺቡ ይነብር ነይሩ። ጠበቓታቱ ኣብ ልዕሊ እቲ ተዋሳኣይ ዝተመስረተ ትሕዝቶ ክሲ እንተሓተቱ’ኳ፡ ክወሃቦም ኣይተፈቕደን።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56392338"} {"headline":"ሩዋንዳ፡ ጸባ ደልዮም ናብ እንዳ መስተ ዝኸዱ ሰባት","content":"መገሻ ደስ ዝብለኩም እንተኾይኑ እሞ ናብ ሃገረ ሩዋንዳ እንተሓሲብኹም ኣብታ ሃገር ሓደ ፍሉይ ነገር ክጸንሓኩም እዩ። ንጉሆ ኣብ ርእሰ ከተማ ኪጋሊ ንያሩጌንጌ ናብ ዝተባህለ መንደር እንተኸይድኹም ሓንቲ ዕምርቲ እንዳ መስተ ኣላ። ካብ ንኡሽቶ ክሳብ ዓብዪ ስለ ዝኣትውዋ ወትሩ መሊኣ ትረኽባ። ኣብ ደገ እታ ቤት-መስተ ብዙሓት ሞተር ሳይክል ሪጋ ሒዘን ይርኣያ፤ ዮሱፍ ጋቲካቢሲ ዋና እታ ቤት መስተ እዩ። ኣብታ ቤት መስተ [ባር] ዋናታት መራሕቲ እተን ሞተራት ምስ ካልኦት መናእሰያትን ስድራቤታትን ተሓዊሶም ከፍ ኢሎም ጸባ ክሰትዩ ይርኣዩ። ገሊኦም፡ ጥራምረን ቻፓቲን (ቅጫ)፣ ገሊኦም ኬክን ዶናትን ይበልዑ፤ ኩሎም ግን ሓደ ዓይነት ነገር ይሰትዩ። ኣብዚ ኣብ ኪጋሊ ፍሉጥ ዝኾነ ቤት መስተ፡ ቢራ፣ ወይኒ፣ ዊስኪ ወይ ካልእ ኣልኮላዊ መስተ ኣይሽየጥን። ኣብ ሩዋንዳ ዝርከባ ካልኦት ተመሳሰልቲ ባራት'ውን ኣልኮል ኣይሸጣን፤ እንኮላይ ቖልዑ ናብ ዝኣትውዎ ገዛ ከመይ ኣቢልካ ኣልኮላዊ መስተ ትሸይጥ? ሓራም። እንታይ ድኣ እንተይልኩም - እዘን ኣብያተ መስተ ዝብሃላ ዘለዋ ንዓማዊለን ጸባ እየን ዝቕርባ። እዚአን እየን ንሩዋንዳ ፍሉይ መልክዕ ፈጢረን ነቲ ሕብረተሰብ ብብዝሒ ብሓደ ክተኣኻኸብ ዝገብራ ዘለዋ። እቶም ኣብ ጎደናታት ኪጋሊ ተኸፊቶም ዝርኣዩ ናይ ጸባ እንዳ መስተ ነጸብራቕ ብዛዕባ እቲ ብውሑዱ ዝፍለጥ ዝሃጠራ ኣላሕምን ጸባን፡ ባህሊ ሩዋንዳ ምዃኖም ይእመን። ንቁርሲ፣ ምሳሕ ወይ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ምስ ዘለዎም ሰባት ንምርኻብ ምስ እትደሊ እትቕልቀሎም ቦታታት'ውን እዮም። ኣብዚ፡ ምስ መዓር ወይ ሽኮር ዝፈልሐ ጸባ ይቀርበልካ። ኣስታት 70 ሚኢታዊት ብዝሒ ህዝቢ ሩዋንዳ ብሕርሻ እዩ ዝናበር። ከብቲ ክኣ ቀንዲ ቑጠባዊ ሃብቲ ከምኡ'ውን ኣብ ገጠር ከባቢታት ምልክት ሃብትን ማሕበራዊ ደረጃን ተገይረን ይወሰዳ። ኣብታ ሃገር ንሓደ ሰብ ሰናይ ተምኒትካ ክትገልጸሉ እንተደሊኻ \"gira inka\" [ላም ትሃልውኻ] ወይ \"amashyo\" [ኣሽሓት ከብቲ ይሃብካ] ትብሎ። ስለዚ ኣብታ ሃገር፡ ብዙሓት ሰባት \"amashongore\" - ኣሽሓት ከብቲ ይሃብካ ክብሉ እንተሰሚዕኹም ክገርመኩም የብሉን። ንዝኾነ ሰብ ዘለካ ምስጋና ክትገልጽ እንተኾይንካ'ውን \"nguhaye inka\" [ላም ሂበካ] ኣለኹ እዩ ዝብሃል። ብዙሓት ባህላዊ ተልሂታት ሩዋንዳ'ውን እቲ ምንቅስቓሳቶም ካብ ከብቲ ዝተወረሰ'ዩ። ኣብ ገሊኡ ተልሂታት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣእዳዎም ንላዕሊ ሓፍ ኣቢሎም ከቢብ ነገር እዮም ዝሰርሑ፤ እዚ ንቐርኒ ከብቲ ዝውክል እዩ። እቲ ዝገርም፡ ኣብታ ሃገር ንከብቲ ዝወሃብ ቦታ ልዑል ስለ ዝኾነ ምስ ናይ ውላድካ ሽም ክተካትቶ'ውን ልሙድ እዩ። ንኣብነት ሙንጋይንካ [Munganyinka -ጠቓሚ ከም ከብቲ ዝብል ትርጉም ኣለዎ] ዝብል ሽም ኣብ ሩዋንዳ ካብቶም ፍሉጣት ኣሽማት'ዩ። ኣብቶም ናይ ጸባ ባራት፣ ዕዳጋታት ወይ ካልእ ቦታ ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ጽባቕኣ ንምግላጽንን ንምንኣድን እንተደሊኻ 'ዓይንኺ ናይ ምራኽ ይመስል\" እንተኢልካያ ዳርጋ ኣልማዝ ዝሸለምኻያ'ዩ። ከም ተመራማሪ ታሪኽን ኣንትሮፖሎጅን ኣካዳሚ ባህላዊ ሓድጊ ሩዋንዳ ማውሪስ ሙጋቦዋጋሁንዴ [Maurice Mugabowagahunde] ሩዋንዳውያ ብታሪኽ ዓበይቲ ናይ ህይወቶም ዓወታት ንምዝካር ከብቲ ይጥቀሙ ከም ዝነበሩ ይገልጽ። ሕጸ ዝሓትት ሰብ'ውን ከብቲ'ዩ ዝገዝም፤ ሓንቲ ካብተን ከብቲ እንተወሊዳ ክኣ እቲ ምራኽ ንሓደሽቲ ተመርዓውቲ ሓዳሮም ንምጅማር ከም ህያብ ትወሃብ። ሕጂ ግን እዚ ባህሊ ኣብ ዝተወሰነ ክፋል እታ ሃገር'ዩ ዝቕጽል ዘሎ። ኣብ ኩሉ ስነ ስርዓት መርዓ እቶም ናይ ወዲ ተባዕታይ ቤተሰብ \"Tubahaye ishyo\" - ኣሽሓት ከብቲ ሂብናኩም\/ክንህበኩም ኢና ኢሎም ይምርቑ። እቲ ሙሁር፡ ኣብታ ሃገር ካብ መበል 15 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ክሳብ 1954 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ከብቲ ከም ባጤራ ወይ መተዓዳደጊ ገንዘብ ኮይነን የገልግላ ከም ዝነበራ ይዛረብ። ንጉስ ሙታራ ሳልሳይ ግን እዚ ጠጠው ክብል ገይሩ። ኣብ እንዳ ሃብታማት ወይ ሰብ ጸጋ ተቐጺሮም ዝሰርሑ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብኣግባቡ ከብቲ ንምሕብሓብን ጸባ ንምድላውን ተባሂሎም ክቑጸሩ እንከለው፡ ናይ ድኻሞም ዓስቢ ከብቲ ይወሃቦም። ኣብታ ሃገር፡ ጸባ ከም ሓደ ክቡር ቐረብ ስለ ዝውሰድ ዋላ'ውን ጸባ ከብቲ ምስታይ ልሙድ እንተኾነ፡ ብታሪኽ ግን ጸባ ምሻጥ \"ነውሪ\" ከምኡ'ውን \"ሕፍረት\" ተገይሩ ይቑጸር ነይሩ ይብል። \"ብሓፈሻ ኣብ ሩዋንዳ ሓንቲ ላም መዓልታዊ ሓደ ወይ ክልተ ሊትሮ ጸባ ክትህብ ትኽእል እያ። እዚ ንቤተሰብ እኹል ኣይነበረን፤ ቐለቦም ኣብ ሳዕሪ ጽግዕተኛ ስለ ዝነበረ እኹል ጸባ ኣይህባን\" ኢሉ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ድሕሪ 1600ታት ንጉስ ሚባምብዌ ጊሳኑራ፡ ከብቲ ዘለዎምን ጸባ ዝረኽቡን ስድራ ቤታት ነቶም ድኻ ጎረባብቶም ከካፍሉ መምርሒ ሂቡ። ሩዋንዳውያን፡ ኣብ 1900ታት ሃገሮም ብንግስነት ጀርመን ምስ ተገዝአት እዮም ጸባ ምሻጥ ጀሚሮም። ኣብቲ ግዜ፡ ዜጋታት እታ ሃገር መገዲታት፣ ኣብያተ ትምህርትን ኣብያተ ክርስቲያናትን ንክሰርሑ ነዊሕ መገዲ ብእግሮም ክጉዓዙ ይግደዱ ነይሮም። ምስቶም ጀርመናውያን ዝጉዓዙ ደቡብ ሱዳናውያን፣ ኡጋንዳውያንን ታንዛኒያውያንን ነጋዶ ድማ ነቶም ካብ ገዝኦም ኣዝዮም ርሒቖም ዝመጽኡ ሸቃሎ ሓይሊ ንክረኽቡ ጸባ ይሸጡሎም ነይሩ። በዚ ኣጋጣሚ ጸባ ምሻጥ ወይ ምዕዳግ ነውሪ ከም ዘይኮነ ዝተገንዘቡ ሩዋንዳውያን፡ ኣብ ከባቢ 1907 ጸባ ክሸጡ ጀሚሮም። እነሆ ድማ እቲ ብዘይስሩዕ መገዲ ዝጀመረ መሸጣ ጸባ ድማ ሕጂ ናብ ደረጃ ባራት ዓብዩ ኣሎ። ተመራማሪ ታሪኽን ኣንትሮፖሎጅን ኣካዳሚ ባህላዊ ሓድጊ ሩዋንዳ ማውሪስ \"ብ1937፡ ንጉስ ሩዳሂግዋ ፋብሪካ ጸባ ምስ ኸፈተ ንፈለማ እዋን ንግዲ ጸባ ዓብዩ። እቲ ጸባ ብመልክዕ ፎርማጆን ርጉኦን እናተዳለወ ድማ ብብዝሒ ናብ ዕዳጋ ክቐርብ ጀሚሩ\" ክብል የረድእ። ሕጂ'ውን እንተኾነ ኣብታ ሃገር ሕጽረት ምህርቲ ጸባ ኣሎ። ኣብ 1961 ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ እቲ ማእኸላይ ደረጃ መነባብሮ ዘለዎ ሩዋንዳዊ ኣብ ዓመት ብማእኸላይ 12 ሊትሮ ጸባ ጥራይ'ዩ ዝጥቀም። \"ኣብ 1980ታት መንግስቲ ዝሓሸ ጸባ ዝህባ ናይ ወጻኢ ከብቲ ከምጽእ ምስ ጀመረ እቲ ሕጽረት ክቕየር ጀሚሩ ነይሩ\" ይብል እቲ ሙሁር። እቲ ዘሕዝን ግን፡ ኣብ 1994 ኣብ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ህልቂት ሩዋንዳ 90 ሚኢታዊት ጥሪት እታ ሃገር ተሓሪደን። ድሕሪኡ፡ መብዛሕትኡ ነባሪ ኪጋሊ ናብራ ከተማ እናጸለዎ ስለዝመጽኣ ምርባሕ ከብቲ ምርባሕ እናነከየ መጺኡ። ሕጂ እቶም ጸባ ንምቕራብ ተበግሶ ዝወሰዱ ባራት፡ ነቲ ነባሪ ከተማ ከም ኣማራጺ ኣገልግሎት መስተ ጸባ ዝህባ ዘለዋ። ማውሪስ ሙጋቦዋጋሁንዴ፡ ቑጽሪ ናይዘን ባራት ካብ 1998 ክሳብ 2000 ኣብ ዘሎ ግዜ እናወሰኸ ከም ዝመጽአ ይዛረብ። ኣብ 2006 መንግስቲ ድኻ ስድራቤታት ጉድለት ኣመጋግባ ህጻናት ንምክልኻል ሃገራዊ ፕሮግራም ዕደላ ከብቲ ጀሚሩ። ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ ድማ ኣስታት 400 ሽሕ ከብቲ ከምዝዕደላ ተገይሩ። ይቬት፡ ሓንቲ ካብቶም ናይ ጸባ ባር ዘለዎም ነጋዶ'ያ። ኣብ 2009 ናብቲ ስራሕ ክትዋፈር እንከላን ምስ እዚ ሕጂ እዋንን ከተወዳድሮ እንከላ እኹል መኽሰብ ዝርከቦ ዓውዲ ከም ዘይኮነ ትዛረብ። ገለ ዓማዊላ እቶም ናብቶም ኣብ ስፖርማርኬታት ዝሽየጡ ምህርታት ጸባ ስለ ዘዘምበሉ ዕዳግኣ ከም ዝነከየ ገሊጻ። ኣብዚ ሕጂ እዋን መንግስቲ፡ ንከተማታት ናብ ዘመናዊ ኣሰራርሓ እናቐየረን ይመጽእ ብምህላው ጥሪት ኣብ ገጠር ከባቢታት ጥራይ ክፈርያ ኣለወን ዝብል መምርሒ ስለ ዘውረደ፡ ኣብ ከተማታት ውሑዳት ሰባት ጥራይ'ዮም ከብቲ ዘለዎም። ስለ ዝኾነ ድማ ዋጋ ጸባ ክቡር'ዩ። \"ኣብ ንግዲ ጸባ ብምህላወይ ክብሪ ይስምዓኒ፤ ምኽንያቱ ጸባ ቅዱስ እዩ\" ዝብል ጋቲካቢሲ ድማ ብዙሕ መኽሰብ ዘይብሉ እንተኾነ'ውን ስርሑ ከም ዝፈትዎ ተዛሪቡ። ንኣንበብትና ድማ \"amashongore\" - ኣሽሓት ከብቲ ይሃብኩም ኢና ንገድፈኩም።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59007614"} {"headline":"ዙር ርዋንዳ 2021፡ ኤርትራዊ ቶማስ ጎይትኦም ኣብ 4ይ መድረኽ 4ይ ወጺኡ","content":"ሎሚ ካብ ኪጋሊ ናብ ሙሳነዘ ዝተኻየደ 123.9 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ ራብዓይ መድረኽ፡ ተቐዳዳማይ ቶታል ዳይረክት ኢነርጂ ፌሮን ቫላንቲኒ ብ3 ሰዓት፡ 13 ደቃይቕን 43 ካልኢትን ብምዝዛም ቀዳማይ ኮይኑ። ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ቶማስ ጎይትኦም ካብ ፌሮን ቫላንቲኒ ብ18 ካልኢት ድሒሩ ብምእታው ራብዓይ ኮይኑ ውድድሩ ብምዝዛም ካብ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዝበለጸ ግዜ ኣመዝጊቡ'ሎ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ራብዓይ መድረኽ ቅድድም፡ ናሆም ዘርኣይ መበል 20፡ መሓሪ ተወልደ መበል 28፡ ሴላ ወልደሚካኤል መበል 32 ብምዃን ውድድሮም ዛዚሞም። ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ኤርትራዊ ናሆም ዘርአይ ብሉጽ መንእሰይ ብምዃን ተሸሊሙ ነይሩ'ዩ። ኣብዚ ክሳብ ሕጂ ዝተኻየደ ኣርባዕተ መድረኻት ተወዳደርቲ 513.6 ኪሎሜትር ሸፊኖም ኣለዉ። ብሓፈሻ፡ ኣብዚ ክሳብ ሕጂ ዝተኻየደ ኣርባዕተ መድራኻት፡ ተቐዳዳማይ ጋንታ መደሊን ሳንቸዝ ቬርጋራ ን513.6 ኪሎሜትር ብ13 ሰዓት፡ 20 ደቒቕን፡ 18 ካልኢትን ቀዳማይ ኮይኑ ብጫ ማልያ ክውንን እንከሎ፡ ኤርትራዊ መትከል እዮብ 9ይ፡ ናሆም ዘርኣይ ኸኣ 10ይ ተሰሪዖም ኣለዉ። ንናይ ዓቐብ ማልያ፡ ተቀዳዳማይ ጋንታ ታርቴሌቶ፡ ታወግለስ ለኔርት ብ35 ንጥቢ ክመርሕ እንከሎ፡ ኤርትራዊ መሓሪ ተወልደ ብ19 ነጥቢ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ተሰሪዑ ኣሎ። ኣብቲ ንዝበለጸ ሸዃዃይ እትወሃብ ማልያ ድማ፡ ተቐዳዳማይ ጋንታ ታርቴሌቶ፡ ታወግለስ ለኔርት ብ22 ነጥቢ ቀዳማይ፡ ኤርትራዊ ቶማስ ጎይትኦም ብ8 ነጥቢ ኣብ 2ይ፡ መሓሪ ተወልደ'ውን 2 ነጥቢ ብምውህላል ኣብ ሻዱሻይ ተርታ ተሰሪዑ ኣሎ። ንዝበለጸ መንእሰይ ኣብ እትውሃብ ማልያ፡ ሰለስተ ኤርትራውያን ምስ ቀዳሞት ዓሰርተ ተሰሪዖም ኣለዉ። ናሆም ዘርኣይ ቀዳማይ፡ ሴላ ወልደሚካኤልን መሓሪ ተወልደን ብቕደም ተኸተል ሻዱሻይን ሻወዓይን ተሰሪዖም ኣለዉ። ንዘበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ኣብ ዝውሃብ ማልያ'ውን ኣርባዕተ ኤርትራውያን ምስ ቀዳሞት ዓሰርተ ተሰሪዖም ኣለዉ። መትከል እዮብን ናሆም ዘርኣይን ቀዳማይን ካልኣይን፡ ሴላ ወልሚካኤልን መሓሪ ተወልደን ተኸታቲሎም 5ይን 7ይን ብምዃን ተሰሪዖም ኣለዉ። ብሰንበት ዝጀመረ ዙር ርዋንዳ ብዩሲኣይ ናይ 2.1 መዐቀኒ ዘለዎ ኮይኑ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝካየዱ ቱራት፡ ዙር ርዋንዳን ኣብ ጋቦን ዝካየድ ትሮፒካል ኣሚሳ ባንጎን ጥራይ'ዮም ናይ 2.1 ደረጃ ዘለዎም። እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ርዋንዳ ሸሞንተ መድረኻት ዘለዎ ኮይኑ፡ ተቐዳደምቲ ድሮ 4 መድረኻት ዛዚሞም ኣለዉ። ብኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰለሙን እትእለ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ሲራክ ተስፎም፡ ሴላ ወልደሚካኤል፡ ኖሆም ዘርኣይ፡ መሓሪ ተወልደን ቶማስ ጎይትኦምን እያ ኣብዚ ውድድር ትሳተፍ ዘላ፡ ከምኡ'ውን መትከል እዮብ ምስ ጋንትኡ ትረንጋኑ ብምዃን ኣብዚ ውድድር ይሳተፍ ብምህላዉ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዝካየድ ዘሎ ዙር ርዋንዳ ብሓፈሻ ሽዱሽተ ተቐዳደምቲ ይሳተፉ ኣለዉ። ኣብ ዙር ርዋንዳ 2019 መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣብ 2020 ኸኣ ናትናኤል ተስፋጽዮን ዕውታት እቲ ውድድር ብምዃን ብጫ ማልያ ከምዝወነኑ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሓደ ካብ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ነዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ምስ ዝዕወተሉ፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ንዙር ርዋንዳ ኣከታቲሎም ሰለስተ ዓመት ብምዕዋት ታሪኽ ክሰርሑ'ዮም። ኣብ 2010'ውን ኤርትራዊ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ዕዉት ዙር ርዋንዳ ኮይኑ ምንባሩ ይዝከር። ተቐዳዳመቲ ብሕጂ ተሪፍዎም ዘሎ ሓሙሽተ መድረኻት ሓሙሻይ መድረኽ፡ ካብ ንያጋታረ ናብ ኪጋለ 149.3 ኪሎ ሜተር ሻዱሻይ መድረኽ፡ ካብ ኪጋሊ ናብ ማውንት ኪጋሊ 152.6 ኪሎ ሜትር ሻውዓይ መድረኽ፡ ኣብ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ 4.5 ኪሎ ሜተር ዝካየድ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ሻሙናይን ናይ መወዳእታን መድረኽ፡ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ ዝካየድ ናይ 75.3 ኪሎ ሜትር። ቅድሚ ሕጂ ነዚ ውድድር ዝተዓወቱሉ ተቐዳደምቲ 2020: ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን 2019: ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ 2018: ርዋንዳዊ ሳሙኤል ሙጉሻ 2017: ርዋንዳዊ ጆፍ ኣረሩያ 201:6 ርዋንዳዊ ቫለንስ ንዳይሰንጋ 2015: ርዋንዳዊ ጅን ባስኪ ንስንጊማና 2014: ርዋንዳዊ ቫክንስ ንስንጊማና 2013: ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዳይላን ግሪድለስቶን 2012: ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዳረን ሊል 2011: ኣመሪካዊ ኬል ረይጀን 2010: ኤርትራዊ ዳንኤል ተክለሃይማኖት","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56999144"} {"headline":"ቀንዲ ኣተሓባባሪ ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ርዋንዳ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞይቱ","content":"ኣብቲ ኣብ 1994 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ዝተፈጸመ ኣስታት 800 ሽሕ ሰባት ዝተቐተሉሉ ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ብዝነበሮ ተራ ተኣሲሩ ዝጸንሐ ወታሃደራዊ በዓል ስልጣን ነበር ርዋንዳ፡ ኣብ ቤት ማእሰር ሞይቱ፡፡ እቲ ጨፍጫፍ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን፤ ካብ ፍሉጣት መራሕቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ሓደ ዝነበረ ኮሎኔል ቲዮነስተ ባጎሶራ፡ ኣብ ቤት ማእሰር ማሊ እዩ ኣብ 80 ዓመቱ ሞይቱ፡፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መጋባእያ ገበን ንማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ፈሪድሉ ዝነበረ ኮይኑ፡ ጸኒሑ ግን ናብ 35 ዓመት ተቐይሩ። ኣብቲ ንኣስታት 100 መዓልታት፡ ብቐንዲ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ዓሌት ቱትሲ ዝተፈጸመ ጨፍጫፍ ኣስታት 800 ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም፡፡ ኣብ 6 ሚያዝያ 1994 ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝነበረ ጂቨናል ሃብያሪማና ዝርከቦም ሰባት ኣሳፊራ እትበርር ዝነበረት ነፋሪት ተወቒዓ ምስ ወደቐት፡ ኩሎም ተሳፈርቲ ድሕሪ ምሟቶም እዩ እቲ ጨፍጫፍ ተጀሚሩ፡፡ ብፖል ካጋሜ ዝምራሕ ፓትርዮቲክ ፍሮንት ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ካብ ርዋንዳ ዝሃደመ ኮሎኔል ባጎሶራ፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ ካሜሩን ተታሒዙ፡፡ ኣብ 2008 ድማ ዓለም ለኻዊ መጋባእያ ገበን ንርዋንዳ፡ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ንቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ኣጋቲ ኡዊሊንጊዪማና ሓዊሱ ንቕትለት ብዙሓት ፖለቲከኛታት ብምውህሃድ ገበነኛ ኮይኑ ረኺብዎ፡፡ ንሱ ግና ግዳይ ፕሮፖጋንዳ እቲ ብዓሌት ቱትሲ ዝዕብለል መንግስቲ ከምዝኾነ ኣብቲ መጋባእያ ብተደጋጋሚ ይምጉት ነይሩ፡፡ ኣብ እዋን እቲ ዓሌታዊ ጨፍጫፍ፡ ሓላፊ ኣኽባሪ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ርዋንዳ ዝነበረ ካናዳዊ ጀነራል ሮምዮ ዳሌር፡ ነቲ ኮሎኔል ‘‘ቀንዲ መዘወር’’ እቲ ጨፍጫፍ ክብል ዝገለጾ ኮይኑ ‘ክቕትለካ እየ ’ ኢሉ ከምዘፈራረሖ እውን ተዛሪቡ፡፡ እቲ ተኸሳሲ ኣብ ፈለማ ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ተፈሪድዎ ዝነበረ ኮይኑ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ግና ገለ ከስታት ተላዒሎም ናብ ማእሰርቲ 35 ዓመት ተቓሊልሉ፡፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ክፍታሕ ዘቕረቦ ሕቶ ዝተነጸጎ ኮሎኔል ባጎሶራ፡ ድሕሪ 9 ዓመት እዩ ፍርዱ ክውድእ ነይሩ፡፡ ንሱ ኣብ ማሊ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ኮውሊኮሮ ምስ ካልኦት ኣብ ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ርዋንዳ ብዝነበሮም ግደ ዝተፈረዶም ሰባት ተኣሲሩ ጸኒሑ፡፡","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58696556"} {"headline":"ፈረንሳ፡ ብምኽንያት ዓሌታዊ ምጽናት 1994 ንሩዋንዳ ይቕሬታ ሓቲታ","content":"ፕሬዝደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ኣብቲ ህይወት ኣስታት 800 ሽሕ ተወለድቲ ቱትሲ ዝበልዐ ዓሌታዊ ምጽናት 1994: ሃገሩ ንዝነበራ ግደ ሩዋንዳውያን ይቕሬታ ክገብሩላ ሓቲቱ። ትማሊ ኣብ ኪጋሊ ኣብ ዝተኻየደ ዝኽሪ ምጽናት ዓሌት፡ ፈረንሳ ንዝመጽእ ህልቂት ዝተዋህበ መጠንቀቕታ ከይተቐበለት ንነዊሕ ዓመታት \"እቲ ሓቂ ንምጽራይ ስቕታ ኣርእያ'ያ\" ክብል ተዛሪቡ። እንተኾነ ፈረንሳ ተሓባባሪት እቲ ዝተፈጸመ ቕትለት ኣይነበረትን ኢሉ። መራሕቲ ሩዋንዳ ንዘረባ ፕሬዝደንት ማክሮን ክንእዱ እንከለው፡ ፕሬዝደንት ፖል ካጋሜ \"ዘረብኡ ካብ ይቕሬታ ንላዕሊ ኣገዳሲ ነይሩ፤ ሓቂ ነይሩ\" ብምባል \"ብሓቂ ሓቦ ዝሰነቐ ተግባር\" ክብል ንኢዱዎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኮሚሽን ክኢላታት ፈረንሳ ኣብ ዘካየዶ ምጽራይ፡ ፈረንሳ ኣብ ትሕቲ ፕሬዝደንት ፍራንኮይስ ሚተራንድ እናሃለወት ኣብቲ ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ተሓባባሪት'ኳ እንተዘይነበረት \"ከቢድን ኣዝዩ ብርቱዕን ሓላፍነት\" ግን ትወስድ እያ ኢሉ ነይሩ። እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ፈረንሳ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓሌታዊ ምጽናት ዝፈጸሙ ሰባት \"ዓዊራ\" ነይራ ይብል። ፕሬዝደንት ማክሮን፡ \"እቶም በታ ጸላም ዝሓለፉ ጥራሕ'ዮም ይቕሬታ ክገብሩ ዝኽእሉ፤ በዚ ከኣ ህያብ ይቕሬታ ይህቡ\" ክብል ኣብቲ ንዝኽሪ ልዕሊ 250 ሽሕ ግዳያት ዝተዳለወ ስነ ስርዓት ተዛሪቡ። ዓሌታዊ ምጽናት ሩዋንዳ ክፍጸም እንከሎ፡ ካብ ዓሌት ሁቱ ዝመጽአ ፖለቲከኛ ንሩዋንዳ ይመርሓ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ ፕሬዝደንት ፈረንሳ ዝነበረ ሚተራንድ ከኣ ምስ ፕሬዝደንት ሩዋንዳ ጁቪናል ሃብየዓሪማና ጥቡቕ ዝምድና ነይሩዎ። \"ፈረንሳ ነቶም ጎቦታት፣ ቤተ እምነታት ዘፍረሱ ቀተልቲ ገጽ ሂባቶም ኣይትፈልጥን፤ ኣብዚ ጉዳይ ተሓባባሪት ኣይነበረትን\" ዝበለ ማክሮን ኣብ 1994 ግን \"ፈረንሳ እቲ ሓድሕዳዊ ግጭት ደው ንምባል ከይተረድአት፡ ብተዘዋዋሪ ኣብ ጎኒ ዓሌታዊ ምጽናት ዝፈጸመ ስርዓት ደው ኢላ እያ\" ኢሉ። ፈረንሳ፡ ምስቲ ኣብ ሩዋንዳ ዝተፈጸመ ጨፍጫፍ ዝተሓሓዙ ወግዓዊ ሰነዳት ብሚስጢር ሒዛቶም ዝጸንሐት ኮይና፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ፕሬዝደንት ማክሮን 15 ኣባላት ዝሓዘ ኮሚሽን ብምጥያስ ነቶም ፕሬዝደንታዊ፣ ዲፕሎማሲያዊ፣ ወተሃደራውን ናይ ስለያን ሰነዳት ክምርምሩ ኣፍቂዱሎም። ኣብቲ ግዜ ፕሬዝደንት ዝነበረ ፍራንኮይስ ሚተራንድ ሓደ ኮይኑ፡ ናይ ቀረባ መሓዛ ዓሌት ሑቱ ዝኾነ ፕሬዘደንት ጁቬናል ሃብያሪማና ኣብቲ መዛግብቲ ካብ ሞንጎ ዘለው ውልቀሰባት ሓደ'ዩ። ኣብ 2015 ፕሬዝደንት ፈረንሳ ነበር ፍራንኮይስ ሆላንዴ ነቶም ሰነዳት ወግዓዊ ክገብሮም'የ ኢሉ'ኳ እንተነበረ ሕገ መንግስታዊ ቤት ምኽሪ ፈረንሳ ግን ብሚስጥር ክተሓዙ ኣለዎም ዝብል ኣድሚጹ። ድምዳመ እቲ ኮሚሽን ምጽራይ ካብ ዝንቡዕ ድምዳመ ናጻ ንክኸውን ኣባላቱ ዜጋታት ሩዋንዳ ዘይኾኑ ክኾኑ ከም ዝተገብረ ይሕበር። በዚ መሰረት ኣብ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ጨፍጫፍ ኣርመኒያን ኣብ ጀርመን ዝተፈጸመ ጨፍጫፍ ኣይሁድን ዘጽንዑ ክኢላታት ዓለምለኸ ሕጊ ገበን ኮይኖም ብተመራማሪ ታሪኽ ቪንሰንት ዱክለርት ዝምርሑ'ዮም። ካብ ወርሒ ሚያዚያ ክሳብ ሰነ 1994 (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ሕሉፋት ዓሌት ሁቱ ኣብ ልዕሊ ዓሌት ቱትሲን ሁቱን ጨፍጫፍ ፈጺሞም'ዮም። ጃምላዊ ጨፍጫፍ ሩዋንዳ ብ6 ሚያዚያ 1994 ነቲ ፕሬዝደንትን ብሩንዳዊ መዘንኡ ሲፕሪን ንታርያሚራን (ንሱ'ውን ዓሌት ሑቱ'ዩ) ዝሓዘት ነፋሪት ብምህራም እዩ ጀሚሩ። ብ22 ሰነ 1994፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ ምዕራብ ሩዋንዳ ሓይልታት ፈረንሳ ክዋፈሩ ፍቓድ ከም ዝሃበ ይፍለጥ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57264945"} {"headline":"ዙር ርዋንዳ፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ መትከል እዮብ ብጫ ማልያ ተረኪቡ","content":"ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ሓምሻይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ተቐዳዳማይ ጋንታ ቢ ኤንዲ ቢ ቦይሉ ኣላን ነቲ ካብ ንያንጋታረ ናብ ኪጋሊ ዝዝርጋሕ 149.3 ኪሎ ሜትር ብ3 ሰዓት፡ 28 ደቂቕን 35 ካልኢትን ብምዝዛም ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ፡ ምስ ጋንታ ተረንጋኑ ዝወዳደር ኤርትራዊ መትከል እዮብ ክልተ ካልኢት ድሒሩ ሳልሳይ ኮይኑ ኣትዩ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ውድድር ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሴላ ወልደሚካኤል'ውን ዓስራይ ኮይኑ ውድድሩ ብምዝዛም፡ ካብ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ እቲ ዝበለጸ ዓወት ኣመዝጊቡ። መትከል፡ በዚ ሎሚ ዘመዝገቦ ህጡር ዓወት ተሓጊዙ ነቲ 680.9 ኪሎሜትር ዝሸፈነ ሓሙሽተ መድረኻት ብ16 ሰዓትን፡ 49 ደቂቕን 5 ካልኢትን ብምዝዛም ብጫ ማልያ ካብ ተቐዳዳማይ ጋንታ መደሊን፡ ሳንቸዝ ቨርጋራ ተረኪቡ ኣሎ። ኣብ ሓፈሻዊ ግዜ፡ ኤርትራዊ ናሆም ዘርኣይ ካብ መትከል እዮብ 18 ካልኢት ድሒሩ ኣብ መበል ሻምናይ ተርታ ተሰሪዑ ኣሎ። ኣብዚ ሎሚ ዝኻየደ ሓምሻይ መድረኽ ናሆም ዘርኣይ መበል 12፡ መሓሪ ተወልደ 29፡ ቶማስ ጎይትኦም ድማ 32 ብምዃን ውድድሮም ዛዚሞም ኣለዉ። መትከል እዮብ ኣብ 2017 ዙር ርዋንዳ ምስ ዳይመንሽን ዳታ ብምዃን፡ ካልኣይ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ኮይኑ ምንባሩ ይዝከር። ተቐዳዳመቲ ብሕጂ ተሪፍዎም ዘሎ ሓሙሽተ መድረኻት ሻድሻይ መድረኽ፡ ካብ ኪጋሊ ናብ ማውንት ኪጋሊ 152.6 ኪሎ ሜትር ሻውዓይ መድረኽ፡ ኣብ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ 4.5 ኪሎ ሜትር ዝካየድ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ሻምናይን ናይ መወዳእታን መድረኽ፡ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ ዝካየድ ናይ 75.3 ኪሎ ሜትር።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57012264"} {"headline":"ብሩዋንዳ ዝሕገዝ ሰራዊት ሞዛምቢክ ንኣገዳሲት ወደባዊት ከተማ ካብ ዕጡቓት መንዚዑ","content":"ወተሃደራት ሩዋንዳን ሞዛምቢክን ሓንቲ ወሳኒት ወደባዊት ከተማ ካብ ዕጡቓት ብምምንዛዕ መሊሶም ከም ዝተቖጻጸሩ ሓደ ወተሃደራዊ ሓላፊ ሩዋንዳ ተዛሪቡ። እታ ወደባዊት ከተማ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ዕቑር ሃፍቲ ነዳዲ ኣብ ዝርከቦ ግዝኣት ካቦ ዴልጋዶ'ያ ትርከብ። ሰራዊት ሞዛምቢክ ከኣ ነታ ግዝኣት መሊሱ ኣብ ቁጽጽሩ ንምውዓል ይዋጋእ ኣሎ። እዛ፡ ሞቺምቧ ዳ ፕረይዛ ዝተባህለት ወደብ ኣዝያ ኣገዳሲትን ናይቶም እስላማዊ ዕጡቓት ናይ መወዳእታ መዋፈሪ ቦታ ከም ዝነበረትን ይንገረላ። እንተኾነ፡ እቶም ዕጡቓት ዛጊድ ብዛዕብ እዚ ዝሃቡዎ ርኢይቶ የለን። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሩዋንዳ፡ ነቶም እስላማዊውያን ዕጡቃት ንምውጋእ ንሞዛምቢክ ንምድጋፍ ሓደ ሽሕ ወተሃደራት ከም ዝለኣኸት ኣፍሊጣ ነይራ። በቲ ጎንጺ ልዕሊ 3 ሽሕ ሰባት እንትቕተሉ፡ 820 ሽሕ ሰባት ድማ ተመዛቢሎም ተባሂሉ። ሰራዊት ሩዋንዳ \"እታ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ኢድ እቶም ዕጡቓት ኣትያ ቀንዲ መዋፈሪ ኮይና ዝጸንሓት ከተማ ብወፍሪ ናይ ክልቲኤና ሃገራት ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ኢድና ኣትያ ኣላ\" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። ወሃቢ ቃል እቲ ሰራዊት ኮሎኔል ሮናልድ ርዊቫንጋ፡ እታ ወደባዊት ከተማ ናይቶም ዕጡቓት ናይ መወዳእታ ግዝኣት እያ ነይራ ክብል ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ። ክልቲኦም ሰራዊት፡ ኣብ ልዕሊ እቶም እስላማዊ ዕጡቓት ዝጀመርዎ ናይ ሓባር ወተሃደራዊ ወፍሪ ከም ዝቕጽልሉ ወሲኹ ተዛሪቡ። ሰራዊት ሞዛምቢክ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ምስቶም ዕጡቓት ክዋጋእ'ኳ እንተጸንሐ፡ ክዕወት ኣይከኣለን ነይሩ ተባሂሉ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58142303"} {"headline":"ምስ ፈረንሳ ዝተኣሳሰር ጸብጻብ ጃማላዊ ጨፍጫፍ ሩዋንዳ ወግዓዊ ክኸውን'ዩ","content":"ፕሬዝደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ሎሚ መዓልቲ ፈረንሳ ኣብ ሩዋንዳ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ጨፍጫፍ ዝነበራ ምትእስሳር ከጽንዑ ሓላፍነት ተዋሂቡዎም ካብ ዝጸንሑ ተመራመርቲ ታሪኽ ዝቐርበሉ ጸብጻብ ክቕበል'ዩ። ሩዋንዳ ብምኽንያት እቲ ጨፍጫፍ ንፈረንሳ ክትኸሳ ብምጽንሓ ጸብጻብ እዞም ሰብ ሞያ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሐ ምትፍናን ከህድኦ ትጽቢት ተገይሩሉ ኣሎ። ፈረንሳ፡ ምስቲ ኣብ ሩዋንዳ ዝተፈጸመ ጨፍጫፍ ዝተሓሓዙ ኦፊሳላዊ ሰነዳት ብሚስጢር ሒዛቶም ዝጸንሐት ኮይና፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ፕሬዝደንት ማክሮን 15 ኣባላት ዝሓዘ ኮሚሽን ብምጥያስ ነቶም ፕሬዝደንታዊ፣ ዲፕሎማሲያዊ፣ ወተሃደራውን ናይ ስለያን ሰነዳት ክምርምሩ ኣፍቂዱሎም። ከም ጸብጻብ ኤኤፍፒ ድማ ሎሚ መዓልቲ ጸብጻብ እቲ ኮሚሽን ናብቲ ፕሬዝደንት ቀሪቡ ወግዓዊ ክኸውን እዩ። ኣብቲ ግዜ ፕሬዝደንት ዝነበረ ፍራንኮይስ ሚተራንድ ሓደ ኮይኑ፡ ናይ ቀረባ መሓዛ ዓሌት ሑቱ ዝኾነ ፕሬዘደንት ጁቬናል ሃብያሪማና ኣብቲ መዛግብቲ ካብ ሞንጎ ዘለው ውልቀሰባት ሓደ'ዩ። ድምዳመ እቲ ኮሚሽን ምጽራይ ካብ ዝንቡዕ ድምዳመ ናጻ ንክኸውን ኣባላቱ ዜጋታት ሩዋንዳ ዘይኾኑ ክኾኑ ከም ዝተገብረ ኤኤፍፒ ይሕብር። በዚ መሰረት ኣብ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ጨፍጫፍ ኣርመኒያን ኣብ ጀርመን ዝተፈጸመ ጨፍጫፍ ኣይሁድን ዘጽንዑ ክኢላታት ዓለምለኸ ሕጊ ገበን ኮይኖም ብተመራማሪ ታሪኽ ቪንሰንት ዱክለርት ዝምርሑ'ዮም። ብ2015 ፕሬዝደንት ፈረንሳ ነበር ፍራንኮይስ ሆላንዴ ነቶም ሰነዳት ወግዓዊ ክገብሮም'የ ኢሉ'ኳ እንተነበረ ሕገ መንግስታዊ ቤት ምኽሪ ፈረንሳ ግን ብሚስጥር ክተሓዙ ኣለዎም ዝብል ኣድሚጹ። ካብ ወርሒ ሚያዚያ ክሳብ ሰነ 1994 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ሕሉፋት ዓሌት ሁቱ ኣብ ልዕሊ ዓሌት ቱትሲን ሁቱን ጨፍጫፍ ፈጺሞም'ዮም። ኣብቲ እዋን 800 ሽሕ ሰባት ክሃልቁ እንከለው፡ ካብ ዓሌት ሁቱ ዝምዘዝ መራሒ ኣብ ስልጣን ነይሩ። ጃምላዊ ጨፍጫፍ ሩዋንዳ ብ6 ሚያዚያ 1994 ዓ.ም ነቲ ፕሬዝደንትን ብሩንዳዊ መዘንኡ ሲፕሪን ንታርያሚራን (ንሱ'ውን ዓሌት ሑቱ'ዩ) ዝሓዘት ነፋሪት ብምህራም እዩ ጀሚሩ። ብ22 ሰነ 1994፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ ምዕራብ ሩዋንዳ ሓይልታት ፈረንሳ ክዋፈሩ ፍቓድ ከም ዝሃበ ይፍለጥ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/56512347"} {"headline":"ስደት፡102 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 176 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ተሰጋጊሮም","content":"102 ኤርትራውያንን 3 ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም 176 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ተሰጋጊሮም። ካብቶም ናብ ርዋንዳ ዝኣተዉ ስደተኛታት 142 ደቂ ተባዕትዮን 34 ደቂ ኣንስት ኮይኖም። 102 ኤርትራውያን፡ 52 ሱዳናውያን፡ 5 ሶማልያውያን፡ ኣርባዕተ ደቡብ ሱዳናውያንን ሰለስተ ኢትዮጵያውያንን ይርከብዎም። ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ስደተኛታት ክሰጋገሩ እዚ ንሻውዓይ ግዜ እዩ።. ኣብ መስከረም 2019 እቶም ቀዳማይ ጉጅለ ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ምስግጋሮም ዝዝከር ኮይኑ ብሓፈሻ ክሳብ ሕጂ 648 ስደተኛታት ተሰጋጊሮም ኣለዉ። ካብዚኦም እቶም 462 ስደተኛታት ናብ ሃገራት ስዊድን፡ ካናዳ፡ ኖርወይ፡ ፈረንሳን ቤልጂምን ከምዝተሰጋገሩ ሚኒሰትሪ ምምሕዳር ህጹጽ ጉዳያት ርዋንዳ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። እዚ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ናይ ምውጻእ መስርሕ ብመሰረት እቲ ኣብ 10 መስከረም 2019 ኣብ መንጎ መንግስቲ ሩዋንዳ፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ዝተበጽሐ ስምምዕ እዩ ዝካየድ ዘሎ። መንግስቲ ርዋንዳ መብዛሕትኦም ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመጹኡ ቆልዑን ደቂ ኣንስትዮን ቀዳምነት ተዋሂቡዎም ክቅበል'ዩ ኣብቲ ስምምዕ ከቲሙ። ብመሰረት እቲ ስምምዕ ሊብያ ኣብ መጀመርታ ብ27 መስከረም 2019፡ 66 ሽደተኛታት ተቐቢላ። ኣብ 11 ጥቅምቲ 2019 እውን 106 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 123 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ኣውጺኣ። ኣብ 25 ሕዳር 2019 ኸኣ 117 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ብምውጻእ ናብቲ ካብ ከተማ ኪጋሊ ንሸነኽ ምብራቕ ዝርከብ ጎሾራ ዝብሃል ቦታ ኣእትያቶም። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 2020 እውን 67 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 130 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ምስግጋሮም ዝዝከር እዩ። ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናይ ምውጻእ መስርሕ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስን ኣብታ ሃገር ኣብ ሞንጎ ብጀነራል ከሊፋ ሓፍታር ዝምርሑ ዕጡቓትን ብሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዝተውሃቦ መንግስቲ እታ ሃገርን ብዝካየድ ኵናት ብተደጋጋሚ ክጎናደብ ጸኒሑ እዩ። ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር’ውን ኤርትራውያን ዝርከብዎም 172 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኒጀር ከምዝገዓዙ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ጨንፈር ሊብያ ምሕባሩ ይዝከር። ብዝሒ ኣብ ሊብያ ዘለዉ ስደተኛታት ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት: 1 ታሕሳስ 2021 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣብ ሊብያ ካብ ዘለዉ 43,113 ምዝጉባት ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን እቶም ዝበዝሑ ሱዳናውያን ምዃኖም ክጠቅስ እንከሎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ሊብያ ብዝርከቡ ብብዝሒ ስደተኛታት ሳልሰይትን ሻዱሸይትን ተርታ ተሰሪዐን ከምዘለዋ ኣፍሊጡ። ኣብ ሊብያ 17,733 ሓተትቲ ዑቕባ ክህልዉ እንከለዉ፡ 4,635 ኤርትራውያን 1,023 ኢትዮጵያውያንን ይርከብዎም። ብሓፈሻ ኣብታ ሃገር ካብ ኢራቕ፣ ሶርያ፣ ፍሊስጤም፣ ኢትዩጵያ፣ ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳንን የመንን ተበጊሶም ንማእከላይ ባሕሪ ብምስጋር ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ዝሕልኑ ዓሰርተታት ኣሽሓት ከምዘለዉ እዩ ጸብጻብ ዩኤንኤችሲኣር ዝሕብር።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59605630"} {"headline":"መምርሒታት ኮቪድ 19 ዝጠሓሱ ሓደሽቲ ሩዋንዳውያን መርዑት ኣብ ደገ ክሓድሩ ተገዲዶም","content":"መምርሒታት ኮሮናቫይረስ ጥሒስኩም ዝተባህሉ ሓደሽቲ ሩዋንዳውያን መርዑት፡ ስድርኦምን ዘሰንይዎም ዝነበሩ ዕዱማትን ብምልኦም ኣብታ መዓልቲ መርዓ ኣብ ስታድዮም ክሓድሩ ተገዲዶም። ኩነታት እዞም መርዑት፣ ስድራን ኣጋይሽን ዕላዊ ምስኮነ፡ ሓያል ተቓውሞታት ኣስዒቡ ኣሎ። ሓንቲ ኣብ ስታድዮም ክትሓድር ዝተገደደት መርዓት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ “ኣብ መዓልቲ መርዓይ ዘጋጠመ ሕማቕ ዝኽሪ፡ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ዘይርሳዕ እዩ” ኢላ። ፖሊስ ኪጋሊ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ በዓል ፋሲካ፡ ልዕሊ 20 ዕዱማት ዝነበሮም ሰለስተ መርዓታት ጠጠው ኣቢሉ እዩ። ወሃቢ ቃል ፖሊስ ንማዕከናት ዜና ሩዋንዳ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ብዙሓት ሰባት ጓይላ (ውራይ) ብምድላው፡ ሕግታት ይጥሕሱ ኣለዉ” ኢሉ። ፖሊስ ድማ እዚ ክቕፅል ከምዘይፈቅድ ሓቢሩ። ገለ ሰባት ግና፡ ሰብመዚ “ልዕሊ ዓቐን ብምሕላፍ” ሰባት ኣብ ስታድየም ክሓድሩ ይኣስሩ ኣለዉ ብምባል ተቓዊሞም። ካልኦት ድማ “ንዕኦም ንምውሓስ” እዩ ክብሉ፡ ንስጉምቲ ፖሊስ ንኢዶም። ካብ ሞንጎ እቶም ብመገዲ ትዊተር ተቓውሞታቶም ዝገለጸት ስነ-ጥበባዊ ክላሪሰ ካራሲራ፡ “እዚ ተግባር ሰብኣውነት ዝጎደሎ እዩ። ነቶም መፃምድን ደቆምን ድማ ንዝንተኣለም ዝነብር ስቓይ እዩ” ኢላ። ሩዋንዳ ኮቪድ-19 ንምምካት ትወስዶም ዘላ ስጉምትታት፡ ብማሕበረሰብ ዓለም ናእዳ ረኺቡ'ዩ። ነጠፍትን ተቓወምትን እታ ሃገር ግና፡ ኣብ ተግባራውነት፡ ሰብኣዊ ግህሰታት ይፍፀም ኣሎ ብምባል ይኹንንዎ። ኣብ ሩዋንዳ፡ ዛጊድ ልዕሊ 22 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉን፡ 311 ሰባት በዚ ቫይረስ ከምዝሞቱን ይግለፅ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56659025"} {"headline":"ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ኤርትራዊ ናሆም ዘርአይ ብሉጽ መንእሰይ ብምዃን ተሸሊሙ","content":"ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ: ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዓወት ኣመዝጊቦም። ሎሚ ካብ ከተማ ንያንዛ ናብ ጊኩምቢ ኣብ ዝተኻየደ 171.3 ኪሎ ሜተር ዝሸፈነ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ: ፈረንሳዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ቢ ኤንድ ቢ ንውድድሩ ብ4 ሰዓት፡ 23 ደቒቕን፡ 57 ካልኢትን ብምዝዛም ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ፡ ምስ ጋንታ ትረንጋኑ ዝወዳደር ኤርትራዊ መትከል እዮብ ግዜ ከይከሰረ ሓሙሻይ ብምውጻእ ውድድሩ ወዲኡ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ውድድር: ናሆም ዘርኣይ መበል 12፡ ሴላ ወልደሚካኤል መበል 13: መሓሪ ተወልደ መበል 23: ቶማስ ጎይትኦም መበል 51 ደረጃ ሒዞም ኣለዉ። ኣብዚ ሰለስተ መድረኻት ኣሰላሲሉ ዘሎ ዙር ርዋንዳ፡ ተቐደዳማይ ጋንታ መደሊን ሳንቸዝ ቨርጋራ ብረያን ንውድድሩ ብ10 ሰዓት፡ 5 ደቒቕን 2 ካልኢትን ብምዝዛም ይመርሕ ኣሎ። ኣብ ሓፈሻዊ ግዜ ድማ: ኤርትራዊ መትከል እዮም ምስ ናይ ሳንቸዝ ተመሳሳሊ ግዜ ብምምዝጋብ ኣብ 9ይ ደረጃ፡ ናሆም ዘርኣይ ኸኣ ካብ ሳንቸዝ ሽዱሽተ ካልኢት ድሒሩ ኣብ 10ይ ደረጃ ተሰሪዑ። ንዝበለጸ መንእሰይ ኣብ እትውሃብ ማልያ፡ ሰለስተ ኤርትራውያን ምስ ቀዳሞት ዓሰርተ ተሰሩዖም ኣለዉ። ናሆም ዘርኣይ ክሳብ ሕጂ ንዝተኻየደ ሰለስተ መድረኻት ብ10 ሰዓት፡ 5 ደቒቕን፡ 08 ካልኢትን ብምዝዛም ቀዳማይ ክኸውን እንከሎ፡ ኤርትራዊ ሴላ ወልደሚካኤልን መሓሪ ተወልደን ኸኣ ብቕድም ተኸተል ሻዱሻይ ሻውዓይን ደረጃ ተሰሪዖም ኣለዉ። ኣብቲ ንዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ እትውሃብ ማልያ'ውን ኣርባዕተ ኤርትራውያን ምስ ቀዳማት ዓሰርተ ተሰሪዖም ኣለዉ። መትከል እዮብን ናሆም ዘርኣይን ብቕደም ተኸተል ቀዳማይን ካልኣይን ክኾኑ እንከለዉ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ማይን ኬንት ካብ መትከል እዮብ ብ58 ካልኢት ድሒሩ ኣብ ሳልሳይ ይርከብ። ኣብቲ ንዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ዝውሃብ ሽልማት ኤርትራውያን ሴላ ወልደሚካኤልን መሓሪ ተወልደን'ውን ተኸታቲሎም ሓሙሻይን ሻዱሻይን ተሰሪዖም ኣለዉ። ንዕዉት ሓኳሪ ኣብ እትውሃብ ማልያ ድማ: ተቐዳዳማይ ጋንታ ታርተልቶ ፡ ታውግለስ ሌናርት 21 ነጥቢ ብምውህላል ይመርሕ ኣሎ። ንዝበለጸ ሸዃዃይ (ቮላችስታ) ኣብ እትውሃብ ማልያ ተቐዳዳማይ ጋንታ ታርተልቶ ፡ ታውግለስ ሌናርት 14 ነጥቢ ብምውህላል ክውንና እንከሎ፡ ኤርትራዊ መሓሪ ተወልደ ድማ ብ4 ነጥቢ ኣብ ሻዱሻይ ታርታ ተሰሩዑ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ተኻይዱ ኣብ ዘሎ ሰለስተ መድረኻት: ጋንታ ቤ ኤንድ ቢ ሆቴልስ ንውድድራ ብ30 ሰዓታትን 15 ደቂቕን 50 ካልኢትን ቀዳመይቲ ክትከውን እንከላ: ኤርትራ ካብ ቀዳመይቲ ብ7 ደቂቕን 57 ካልኢትን ድሒራ ኣብ ሻዱሻይ ተርታ ተሰሪዓ ኣላ። ብሰንበት ዝጀመረ ዙር ርዋንዳ ብዩሲኣይ ናይ 2.1 መዐቀኒ ዘለዎ ኮይ:ኑ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝካየዱ ቱራት ዙር ርዋንዳን ኣብ ጋቦን ዝካየድ ትሮፒካል ኣሚሳ ባንጎን ጥራይ'ዮም ናይ 2.1 ደረጃ ዘለዎም። እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ርዋንዳ ሸሞንተ መድረኻት ዘለዎ ኮይኑ፡ ተቐዳደምቲ ድሮ ንሰለስተ መድረኻት ዛዚመሞ ኣለዉ። ብኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰለሙን እትእለ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ሲራክ ተስፎም፡ ሴላ ወልደሚካኤል፡ ኖሆም ዘርኣይ፡ መሓሪ ተወልደን ቶማስ ጎይትኦምን እያ ኣብዚ ውድድር ትሳተፍ ዘላ፡ ከምኡ'ውን መትከል እዮብ ምስ ጋንትኡ ትረንጋኑ ብምዃን ኣብዚ ውድድር ይሳተፍ ብምህላዉ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዝካየድ ዘሎ ዙር ርዋንዳ ብሓፈሻ ሽዱሽተ ተቐዳደምቲ ይሳተፉ ኣለዉ። ኣብ ዙር ርዋንዳ 2019 መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣብ 2020 ኸኣ ናትናኤል ተስፋጽዮን ዕውታት እቲ ውድድር ብምዃን ብጫ ማልያ ከምዝወነኑ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሓደ ካብ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ነዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ምስ ዝዕወተሉ፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ንዙር ርዋንዳ ኣከታቲሎም ሰለስተ ዓመት ብምዕዋት ታሪኽ ክሰርሑ'ዮም። ኣብ 2010'ውን ኤርትራዊ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ዕዉት ዙር ርዋንዳ ኮይኑ ምንባሩ ይዝከር። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ቱር ርዋንዳ ሓሓሙሽተ ተጻወትቲ ሒዘን 15 ጋንታታት እየን ዝሳተፋ ዘለዋ። ኣብዚ ብሓፈሻ 75 ተጻወትቲ ዝሳተፍዎ ዘለዉ ውድድር ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ሃገራዊት ጋንታ ርዋንዳ፡ ጋንታ ዳይረክት ኢነርጂ፡ ጋንታ መደሊን፡ ጋንታ በንዲክሽን ኢግኒተ፡ ጋንታ ቢ ኤንዲ ቢ፡ ጋንታ ኣንድሮኒ፡ ኤርትራዊ መትከል እዮብ ዝወዳደረላ ጋንታ ተረንጋኑ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኣልጀርያ፡ ጋንታ እስራኤል ስታርት ኣፕ ኔሽን፡ ጋንታ ባይክ አይድ፡ ጋንታ ስኮላ ኣንድረን ንያንሽቱ፡ ጋንታ ታርተሎቶ ኢሶሬክስ፡ ጋንታ ፕሮ ታችን ጋንታ ዋይልድላይፍ ጀነረሽን ይሳተፋ ኣለዋ።። ኣብዚ ካብ 2 ግንቦት ጀሚሩ ክሳብ 9 ግንቦት ኣብ ሸሞንተ መድረኻት ዝካየድ ቱር ርዋንዳ ተቐዳደምቲ ኣብ ሸሞንቲኡ መድረኻት 913.3 ኪሎ ሜተር'ዮም ክሽፍኑ። ተቐዳዳመቲ ብሕጂ ተሪፍዎም ዘሎ ሓሙሽተ መድረኻት ራብዓይ መድረኽ ካን ኪጋሊ ናብ ሙሳንዘ 123.9 ኪሎ ሜተር። ሓሙሻይ መድረኽ ካብ ንያጋታረ ናብ ኪጋለ 149.3 ኪሎ ሜተር። ሻዱሻይ መድረኽ ካብ ኪጋሊ ናብ ማውንት ኪጋሊ 152.6 ኪሎ ሜተር። ሻውዓይ መድረኽ ኣብ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ 4.5 ኪሎ ሜተር ዝካየድ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ። ሻሙናይን ናይ መወዳእታን መድረኽ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ ዝካየድ ናይ 75.3 ኪሎ ሜተር። ቅድሚ ሕጂ ነዚ ውድድር ዝተዓወቱሉ ተቐዳደምቲ 2020: ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን 2019: ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ 2018: ርዋንዳዊ ሳሙኤል ሙጉሻ 2017: ርዋንዳዊ ጆፍ ኣረሩያ 201:6 ርዋንዳዊ ቫለንስ ንዳይሰንጋ 2015: ርዋንዳዊ ጅን ባስኪ ንስንጊማና 2014: ርዋንዳዊ ቫክንስ ንስንጊማና 2013: ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዳይላን ግሪድለስቶን 2012: ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዳረን ሊል 2011: ኣመሪካዊ ኬል ረይጀን 2010: ኤርትራዊ ዳንኤል ተክለሃይማኖት","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/56986707"} {"headline":"ብኤሌክትሪክ ዝሰርሑ ሞተርሳይክላት ምፍራይ ዝጀመረት ርዋንዳ","content":"ርእሰ ከተማ ርዋንዳ ኪጋሊ ካብ ካልት ከተማታት ብተጻራሪ ሰባት ቀትርን ለይትን ብዘይ ዝኾነ ናይ ድሕነት ስግኣት ዝንቀሳቐሱላ ከተማ ምዃና እዩ ዝዝረበላ። እታ ኣዝዮም ሰሓብቲ ብዝኾኑ ነገራት ከም ዝተመልአት ዝንገረላ ከተማ፡ ኣብ ዓለም ብጽሬተን ካብ ዝፍለጣ'ውን ሓንቲ እያ። እዛ ልዕሊ 850 ነበርቲ ዝርከቡላ ከተማ ግን ብጽሬታን ብውሕሱነታን ጥራይ ኣይኮነን እትፍለጥ። ብዘይ ዕረፍቲ ቶጎግ ቶጎግ ዝብላ ሞተር ሳይክላት'ውን መግለጺኣ እዮም። ብፍላይ፡ 'ሞቶስ' ብዝብል ዝፍለጡ ሞተር ሳይክላት ብዙሓት ኣታዊ ዝረኽቡለንን ናብረኦም ዝመርሑለን እየን። ዲዲየር ናዳባያህሪ ኣብ ጎደናታት ኪጋሊ ንልዕሊ 12 ዓመታት መንገደኛታት እናመላለሰ ጸኒሑ ኣሎ ። ኣብዘን እናሰርሐ ዝጸንሐለን ዓመታት ንሞተሩ ነዳዲ እናቐለበ እዩ ነቢሩ ። ዲዲየር፡ ኣብ ቀረባ እዋን ግና፡ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሕ ሞተር ሳይወክል ምሽክርካር ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ መጀመርታ ንእሽቶ ከቢድዎ እንተነበረኳ፡ ሕዚ ሕዚ ግና እቲ ንነዳዲ ዘውጸኦ ዝነበረ ክቑጥብ ኣኽኢልዎ። \"ኣብ መጀመርታ መዓልታት ጽቡቕ ኣይነበረን፤ ምኽንያቱ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሕ ሞተር ከሽከርክር ንፈለማ እዋን እዩ፤ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኣብ መገዲኦ ይቋረጽ'ሞ ጠጠው ይብል ነይረ። እንተኾነ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እቲ ሞተር ብኸመይ ከምዝሰርሕ እደናፈለጥክዎ ምስከድኩ ፎትየዮ፤ ብዙሕ ገንዘብ ድማ ክቑጥብ ክኢላ\" ኢሉ። ንሱ ዝሓዛ ሞተር ኣብ ርዋንዳ፡ 'አምፐርሳንድ' ካብ ዝተብሃለ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሕ ኩባንያ ዘፍሪ ሓደ ኩባንያ 60 ተሽከርከርቲ ሓንቲ እያ። ማዕከል መጸገኒ ኣምፐርሳንድ እቲ ሓድሽ ሞተር ን ንዲዲየር ዝስማማዕ ኾይኑ ኣሎ። \"ሕዚ ፎትየዮ እየ። ካብተን ብመነዳዲ ዝሰርሐ ሞተራት ብዘይፍለ ንነዊሕ እዋን ብዘይ ዝኾነ ጸገም እየን ዝሰርሐ። ኣብ ምሽክርካር'ውን ምችኡንት ኣለዎ\" ኢሉ። ኩባንያ 'አምፐርሳንድ' ብኤሌክትሪ ዝሰርሓ ሞተራት ብምፍራይ ኣብ አፍሪቃ ቀዳሚ እንትኸውን፡ ኣብ መጻኢ ሓሙሽተ ዓመታት ኩለን ኣብ ርዋንዳ ዝሰርሓ ሞተራት ናብ ኤሌክትሪክ ናይ ምቕያር ተስፋ ተስፋ ሰኒቑ ኣሎ። ኣብ ከተማ ኪጋሊ 25 ሽሕ ግልጋሎት ዝህባ ሞተራት ኣለዋ። ብኣማኢቲ ዝቑጸር ኪሎሜትራት ድማ ይሽፍና። ካብ መንጎኦም ገሊኦም ንልዕሊ 10 ሰዓታት ዝሰርሑ እዮም። ዋና ፈጻ ሚ ሰራሕ አምፐርሳንድ፡ \"ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ተሸከርከርቲ ልዕሊ ፍርቂ ሞተር ሳይክላት እየን\" ይብል። \"እቶም ቀለልቲ ሞተራት ብዘበናዊ መኪና ወይደማ ብሞር ሳይክላት ናይ ብኽለት ኣየር መቐነሲ የብለንን፤ ከምኡ ኮይኑ'ውን ብመዓልቲ ብኣማኢቲ ዝቑጸር ኪሎሜትሮታት እየን ዝሽፍና፤ እዚ ድማ ንብኽለት ኣየር እዩ ዘስዕብ\" ። ኣብ ርዋንዳ ሓደ ኣሽከርካሪ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ንነዳዲ ዘውጸኦ ገንዘብ ሓድሽ ሞተር ሳይክል ከግዘኦ ከምዝኽእል እዩ ዝዛረብ፤ እቲ ዋና ፈጻሚ። ምክትታልን ጽገናን'ውን ብቐሊሉ መስራሕ ከምዝካኣል ኣርኢና ኢና ይብል። መ ከም እምነት እቲ ኩባንያ፡ ንነዳዲ ዝወጽእ ወጻእን ንጽገና ዝወጽእን ወጻእታት ኣዝዩ ከምዝንኪ ኣታዊ ሰብ ሞተር ብዕጽፊ ከምዝውስኽን ሓቢሩ ። ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ሞተርሳይክላት ከምዘለዋ ይግመት። 'አምፐርሳንድ' ን ካልኦት ተመሳሳሊ ኩባንያታትን ኣብ ዕዳጋ ዘለዎም ብጽሒት እንተወሲኹ፡ ዓብለኽቲ ጋዛት ኣብ ምንካይ ዓቢ እጃም ከምዝህልዎም ይእመን። እዚ ኩብንያ ኤሌክተትሪክ ምጽጋን ጥራይ ዘይኮነስ ቻርጅ'ውን ይገብር እዩ። እቶም ኣብ ኪጋሊ ዝገጣጠሙ ሞተር ሳይክላት ካብ 150 ኣካላት ዝርከቡ እንትኾኑ፡ እቶም ባትሪታት ብመሃንዲሳት እቲ ኩባንያ ብፍሉይ መገዲ እዮም ዝሰር። ዛጊድ ሓሙሽተ ባትሪ መቐየሪ መደብራት ከፊቱ እናሰርሐ ይርከብ። እቲ ኩባንያ ዛጊድ 73 ሰራሕተኛታተር ቆጺሩ ዘስርሕ ኾይኑ፡ ሓደቲ መገጣጠሚ ቦታት እናኸፈተን ምስ ነባራት ኩባንያታት ሞተር ሓቢሩ ንምስራሕ እናተስማመዐን ይርከብ። ሕድሕዱ ቻርጅ መግበሪ መደብር፡ ሓሙሸተ ሽሕ ዶላር ወጻኢ ከምዝሓተትዎ ይገልጽ። መንግስቲ ርዋንዳ ኣብታ ሃገር ብኤሌክትሪክ ዝሰርሑ ተሽከርከርቲ ንምትእትታው ወይ ድማ ኢ-ትራንስፖኢኦት ንምጅማር ይሰርሕ ከምዘሎ ይዝረብ። እዚ ስራሕቲ ንነዳዲ ዝወጽእ ከዘድሕንን፤ ሓድሽ ናይ ስራሕ ዕድል ከምዝፈጥርን ይእመነሉ። ቮልስዋገን ርዋንዳ ካብ 2019 ጀሚሩ ምስ ሲመንስ ብምትሕብባር ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ንምቅዋም ፈተነ ከካይድ ጸኒሑ እዩ። ዛጊድ ክልተ ቻርግ ዝግበረሎም መደብራት ዝኸፈተ ኾይኑ፡ 20 ብኤሌክትሪክ ዝሰርሐ መካይን ሰሪሑ ከምዘሎ ይመረዳእታት ይሕብሩ። ሞተር ሳይክላት ኣምፐርሳንድ ኣብ ኬንያን ካልኦት ሃገራትን ስርሑ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ ኣሎ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59364111"} {"headline":"ዙር ርዋንዳ፡ ሽዱሽተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ዙር ርዋንዳ ይሳተፉ ኣለዉ","content":"ኣብቲ ሎሚ ጀሚሩ ክሳብ 9 ግንቦት ዝካካድ ዙር ርዋንዳ 2021 ሽዱሽተ ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ብሽክለታ ክወዳደሩ እዮም። ኣብቲ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንሸሞንተ መድረኻት ዝካየድ ናይ 2.1 መለከዒ ዘለዎ ቅድድም ብሽኽለታ ዙር ርዋንዳ፡ ብኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰለሙን እትእለ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ሲራክ ተስፎም፡ ሰሉ ወልደሚካኤል፡ ኖሆም ዘርኣይ፡ መሓሪ ተወልደን ቶማስ ጎይትኦምን ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብምውካል ከምኡ'ውን መትከል እዮብ ምስ ጋንትኡ ትረንጋኑ ብምዃን ኣብዚ ውድድር ክሳተፉ እዮም። ዙር ርዋንዳ ኣብ 2019 መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣብ 2020 ኸኣ ናትናኤል ተስፋጽዮን ዕውታት እቲ ውድድር ብምዃን ብጫ ማልያ ከምዝወነኑ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሓደ ካብ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ነዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ምስ ዝዕወተሉ፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ንዙር ርዋንዳ ኣከታቲሎም ሰለስተ ዓመት ብምዕዋት ታሪኽ ክሰርሑ'ዮም። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ቱር ርዋንዳ ሓሓሙሽተ ተጻወትቲ ሒዘን 15 ጋንታታት ክሳተፋ እየን። ኣብዚ ብሓፈሻ 75 ተጻወትቲ ዝሳተፍዎ ዘለዉ ዙር ርዋንዳ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ሃገራዊት ጋንታ ርዋንዳ፡ ጋንታ ዳይረክት ኢነርጂ፡ ጋንታ መደሊን፡ ጋንታ በንዲክሽን ኢግኒተ፡ ጋንታ ቢ ኤንዲ ቢ፡ ጋንታ ኣንድሮኒ፡ ኤርትራዊ መትከል እዮም ዝወዳደረላ ጋንታ ትረንጋኑ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኣልጀርያ፡ ጋንታ እስራኤል ስታርት ኣፕ ኔሽን፡ ጋንታ ባይክ አይድ፡ ጋንታ ስኮላ ኣንድረን ንያንሽቱ፡ ጋንታ ታርተሎቶ ኢሶሬክስ፡ ጋንታ ፕሮ ታችን ጋንታ ዋይልድላይፍ ጀነረሽን ክሳተፋ'የን። ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝካየዱ ውድድራት ብሽክለታ ዜር ርዋንዳን ዜር ጋቦንን ጥራይ እዮም ናይ 2.1 መለክዒ ዘለዎ፡ በዚ መሰረት ዙር ርዋንዳ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝካየድ ውድድራት ብሽክለታ እቲ ዝሓየለን ብውዳኤኡ ዝጸፈፈን ምዃኑ እዩ ዝንገር። ኣብዚ ካብ ሎሚ 2 ግንቦት ክዳብ 9 ግንቦት ኣብ ንሸሞንተ መድረኻት ዝካየድ ቱር ርዋንዳ ተቀዳደምቲ 913.3 ኪሎ ሜትር ክሽፍኑ'ዮም። ሎሚ ዝካየድ ቀዳማይ መድረኽ ካብ ኪጋሊ ናብ ርዋንማጋና 115.6 ኪሎሜትር። ካልኣይ መድረኽ ካብ ኪጋሊ ናብ ሁየ 120.5 ኪሎ ሜትር። ሳልሳይ መድረኽ ካብ ንያንኣሰዘ ናብ ጊኩምቢ 117.6 ኪሎ ሜትር። ራብዓይ መድረኽ ካን ኪጋሊ ናብ ሙሳንዘ 123.9 ኪሎ ሜትር። ሓሙሻይ መድረኽ ካብ ንያጋታረ ናብ ኪጋለ 149.3 ኪሎ ሜትር። ሳዱሻይ መድረኽ ካብ ኪጋሊ ናብ ማውንት ኪጋሊ 152.6 ኪሎ ሜትር። ሻውዓይ መድረኽ ኣብ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ 4.5 ኪሎ ሜትር ዝካየድ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ። ሻሙናይን ናይ መወዳእታን መድረኽ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ ዝካየድ ናይ 75.3 ኪሎ ሜትር። 2020 ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን 2019 ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ 2018 ርዋንዳዊ ሳሙኤል ሙጉሻ 2017 ርዋንዳዊ ጆፍ ኣረሩያ 2016 ርዋንዳዊ ቫለንስ ንዳይሰንጋ 2015 ርዋንዳዊ ጅን ባስኪ ንስንጊማና 2014 ርዋንዳዊ ቫክንስ ንስንጊማና 2013 ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዳይላን ግሪድለስቶን 2012 ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዳረን ሊል 2011 ኣመሪካዊ ኬል ረይጀን 2010 ኤርትራዊ ዳንኤል ተክለሃይማኖት","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56962051"} {"headline":"ጥዕና ኣእምሮ፡ ስንባድ፡ ምጽናት ዓሌትን ዘይርአ በሰላን - ዛንታ ውጻእ ኣብ ሩዋንዳ ዝተፈጸመ ጽንታ","content":"ንጉዳየይ ብቕሉዕ ክዛረበሉ ከለኹ ሎሚ ፈለማይ’ዩ፤ ኣዕርዩ ውልቃውን ንመሓዙት ይኹን ንመሳርሕተይ ንዓመታት ዘይነገርክዎምን ኣብ ውሽጠይ ዝተደጎለን ጉዳይ። ግን ሓቂ ንምዝራብ ንነዊሕ እዋን እቲ ዘለኹሉ ጸገም ጥዕና: እንታይ ከምዝኾነን እንታይ ከምዝበሃልን ኣይፈልጦን ጸኒሔ። ሎሚ ግን ፈሊጠዮ’ለኹ፤ ብድሕሪ እቲ ቆልዓ ኮይነ ኣብ ሩዋንዳ ዝተፈጸመ ምጽናት ዓሌትን ካልኦት በዳህቲ ተጓንፎታትን ብሳይንሳዊ ኣጸዋውዓ ‘ፖስት ታራውማቲክ ስትረስ ዲስኦርደር’ [ብድሕሪ ሓደ ዘሰንብድ ፍጻመ ዝፍጠር ቅልውላው ጥዕና-ኣእምሮ] ከምዘለኒ ተገንዚበ። ኣብ ዝኾነ እዋን መጺኡ ክሳብ ንምስትንፋስ ኣብ ዝጽገመሉ ደረጃ ዘብጽሓኒ ዘቐንዙ ስምዒት ይፈጥረለይ። ብተዘክሮ ምልስ ክብል ከለኹ፤ ኣብ 1980ታት ኣብ ዋና ከተማ ሩዋንዳ ኪጋሊ ሓገዞም ምስ ዘይፍለየኒ ወለደይ እናነበርኩ ልክዕ ከም ካልኦት ህጻናት ሕጉስቲ ቆልዓ ነይረ። ሽዑ ኣነ፣ ኣደይን ንእሽቶ ሓወይ ጁኒየርን ነይርና። ጁኒየር ግን ቀዳማይ ዓመት ልደቱ ንምኽባር’ውን ኣይተዓደለን። ኣነ ቆልዓ 2 ዓመት እናሃለኹ ብሕማም ተፈልዩና፤ እዚ ንዓይ ንፈለማ እዋን ዝሰኣንክዎ ዓብዪ ነገር ነይሩ። ቆልዓ ስለዝነበርኩ’ምበር ንሓወይ ምስኣንስ ኣይምተጻወርክዎን። ዕድመ እናወሰኽኩ ምስመጻእኹ ግን እቲ ብድሕሪ ዝኾነ ዓይነት ዘሰንብድ ተጓንፎ ስዒቡ ዝመጽእ ቅልውላው ጥዕና-ኣእምሮ ክምዕብል ጀሚሩ። እቲ ካልኣይ ልቢ ዝሰብር ክስተት ዘጋጠመኒ 10ይ ዓመት ዕለተ ልደተይ ንከኽብር ክልተ ወርሒ ምስተረፈኒ ነይሩ። ሽዑ ኣደይ ብሰንኪ ሕማም ስኢነያ። ኣብ ናይ ሆስፒታል ዓራት ደቂሳ ካብ ጎና ዘይፍለየሉ ኩነታት ሎሚ’ውን ይዝከረኒ፤ ነታ ናይ ንጉሆ ጸሓይ ከመይ ከምእተስተማቕራ ምርኣይ ስለዘሕጉሰኒ ካብ ጎና ክፍለ ኣይደልን። ግን ከኣ ንቖርበታ ክተናኽፎ ከለኹ ደሪቑ ነይሩ። ክብደት ሰብነታ ብዝለዓለ መጠን ነኪዩ ብምንባሩ ዳርጋ ዝተረፋ ነገር ኣይነበረን። ንሳ ምስ ሞተት ንዓይ ዳርጋ ዓለም ኩሉ ፍጻመ ዝረኸበ መሲሉ’ዩ ተሰሚዑኒ። ክንድቲ በዞም ክልተ ኣጋጣምታት ክሓዝኖ ዝነበረኒ ግን ኣይሓዘንኩን። ብድሕሪኡ ናብታ ሎሚ ኣደይ እናበልኩ ዝጽውዓ ኣሞይን ሓሙሽተ ደቃን ከይደ። ኩሎም ሓገዝተይ ነይሮም። ወርሒ ሚያዝያ 1994 ቆልዓ 12 ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ: ንህይወተይ ኩሉ ፍጻመ ኮይኑ ዝተሰምዓኒ ዓሌታዊ ምጽናት ተፈጺሙ። ሕሉፋውያን ኣባላት ዓሌት ሁቱ ኣብ ልዕሊ ውሑዳን ማሕበረሰብ ቱትሲ ብዝፈጸምዎ ዘርኣዊ ምጽናት ኣብ ውሽጢ 100 መዓልታት ጥራይ 800,000 ሰባት ተቐቲሎም። ካብዚ ንምህዳም ካብ ኪጋሊ ብምውጻእ ናብታ ኣብ ጥቓ ዶብ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ትርከብ ንእሽቶ ከተማ ጊሰኒ ጉዕዞ ጀሚርና። እንተኾነ እቲ መጥቃዕቲ ደድሕሪና ስለዝሰዓበ ኣብ ጉዕዞና ብዕጡቓት ሚሊሻታት ደው ክንብል ተገዲድና። ዘፍርሕ ህሞት ነይሩ፤ እዞም መስተ ሰትዮም ዝሰኸሩን ውኒኦም ዝሰሓቱን ዝመስሉ ሰባት ዝደለይዎ ነገር ክገብሩ ከምዝኽእሉ ክግንዘብ ኪኢለ። ገሊኦም ገና ቆልዑ እዮም ነይሮም፤ ግን ከኣ ጎዞሞ (ጎጆሞ) ዝሓዙ፣ ኣብትርቲ ዝዓትዓቱ ገሊኦም ከኣ ደም ዝተጸያየቑ ነይሮም። እዚ ንኹሉግዘ ካብ ውሽጠይ ክጠፍእ ዘይኽእል ኣጋጣሚ’ዩ። ብድሕሪ’ዚ ዶብ ሰጊርና ኣብ ኮንጎ ከተማ ጎማ ስደተኛታት ኮይንና ክንነብር ጀሚርና። ኣብኡ ከኣ ብዙሕ ሞት ሪኤ፤ ብዙሓት ብሰንኪ ሕማም ሸሮኽን ውጽኣትን ሞይቶም። ሬሳታት ኣብ ወሰን መገዲ ተደብሪዮም ይረኣዩ። ኣብቲ ኩሉ እዋናት ካብኡ ድማ ናብ ኬንያ ዝመጻእኹሉ ኣጋጣሚ፤ ኣብ መወዳእታ ድማ ጓል 16 ዓመት ኮይነ ናብ ኖርወይ ክኣትው ዕድል ዝረኸብኩሉ ጊዜ ኩሎም ንዓይ ብህይወት ንምትራፍ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዝነበርኩ ይመስለኒ ነይሩ። እዚ ስምዒት ድማ ሰባት ንዝርከቡሉ ስነልቦናዊ ጸቕጢ (ውጥረት) ክጻወሩ ዘኽእሎም ስነኣእምሮኣዊ ጸፍሒ እዩ። ምስኡ ነነዊሕ እዋን እንተጸኒሕኻ ግን ከቢድ ጉድኣት ከኸትል ይኽእል። ናብ ኖርወይ ኣትየ ቁሩብ ኣእምሮይ ክሕደስ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን እቲ ቓንዛ ናብ ሕልናይ ክምለስ ጀሚሩ፤ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣእምሮ ከኣ ብድሕሪ ሓደ ዘሰንብድ ክስተት ንዝፍጠር ቅልውላው ጥዕና ኣእምሮ [‘ፖስት ታራውማቲክ ስትረስ ዲስኦርደር’] ከምዝተቓላዕኹ ክግንዘቡ ኪኢሎም። ብርግጽ ኣብ ከምዚ ዝበለ ስምዒት ዘለኹ ኣነ ንበይነይ ኣይኮንኩን። ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ብዂናት ካብ ዝሓለፉ ሰባት ካብ ሓሙሽተ ልዕሊ ሓደ ሰብ ን‘ፖስት ታራውማቲክ ስትረስ ዲስኦርደር’ ሓዊሱ ኣብ ተመሳሳሊ ቅልውላው ጥዕና ኣእምሮ ከምዝርከቡ መረዳእታ ውድብ ጥዕና ዓለም የመልክት። እቲ ኩነታት ከኣ ንዝተፈላለዩ ዘሰንብዱ ኣጋጣምታት መሰረት ብምግባር ዝተፈጠረ ክኸውን ይኽእል። ሓደ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሳህራ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ሰባት ንስንባደ ዝተቓልዑ ኮይኖም ምናልባት ከኣ ጸገም ጥዕንኦም ናብ ን‘ፖስት ታራውማቲክ ስትረስ ዲስኦርደር’ ናይ ምዕባይ ተኽእሎ ኣለዎ። ግን ከኣ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ንጥዕና ኣእምሮ ዝወሃብ ክንክን ወይ ሓገዝ ብዙሕ ኣይኮነን። ነታ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ልዕሊ 10 ዓመት ዝጸንሐት ሰራልዮን ከም ኣብነት እንተወሲድና ኣስታት 10 ሚኢታዊት ካብ 7 ሚልዮን ህዝባ ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ ኣለዎም። ብድሕሪ ዘሰንብድ ክስተት ንዘጋጥም ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ከምዝተቓላዕኹ ንምዝራብ 30 ዓመታት ወሲዱለይ’ሎ። እንተዘይነግረኩም ነይረ ኣይምፈለጥኩምን። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ግን ብግልጽን ብዘይገለ ሕፍረትን ምዝራብ ኣገዳሲ’ዩ። ብድሕሪኡ ምናልባት ካልኦት ብዙሓት ሰባት ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ ይኾኑ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56887683"} {"headline":"ብዓሌታዊ ህልቂት ሩዋንዳ፡ ፈረንሳይ ‘ተሓታትነት’ ኣለዋ ተባሂሉ","content":"ኣብ’ቲ ብ 1994 ኣብ ሩዋንዳ ዘጋጠመ ዓሌታዊ ህልቂት፡ ፈረንሳይ እትስከሞ “ከቢድን ብዙሕን ተሓታትነት ኣለዋ” ተባሂሉ። ነቲ ጉዳይ ብዝምልከት ሰብ ሞያ ታሪኽ ክገብርዎ ዝጸንሑ ዓሚዩቕ ጸብጻብ እዩ ነዚ ገሊጹ ዘሎ። እንተኾነ ግን፡ ፈረንሳይ ኣብ ዓሌታዊ ህልቂት ሩዋንዳ ተሳታፍነት ነይርዋ ዝብል ዝኾነ መረዳእታ ኣይረኸቡን። እቲ ብሰብ ሞያ ዝቖመ ኮሚሽን ነቲ ጸብጻቡ ናብ ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑዌል ማክሮን እዩ ኣቕሪቡዎ። ፈረንሳይ ኣብ እዋን ዓሌታዊ ህልቂት ሩዋንዳ ምድላዋት እናተገበሩ እንከለዉ “ከምዘይረኣየት ኮይና” ይብል እቲ ጸብጻብ። እቶም መጽናዕቲ ዝገበሩ ሰብ ሞያ ንመዛግብቲ መንግስቲ ፈረንሳይ ኣጽኒዖም እዮም። ኣብ’ቲ ህልቂት፡ ካብ ዓሌት ሁቱ ዝኾኑ ጥሩፋት፡ ንዓሌት ቱትሲን ኣብ’ቲ መጥቃዕቲ ኢዶም ንዘይሓወሱ ሁቱን ዝጨፍጨፉ ኮይኖም፡ ብውሕዱ 800,000 ሰባት ሞይቶም። ፈረንሳይ ኣብ’ቲ ህልቂት ኢዳ ሓዊሳ እያ ብዝብል ንነዊሕ እዋን ክትከስስ ዝጸንሐት ሩዋንዳ፡ ነቲ ጸብጻብ ብጽቡቕ ተቐቢላቶ ኣላ። “ኣብ ልዕሊ ዓሌት ቱትሲ ኣብ ዝተፈጸመ ህልቂት፡ ግደ ፈረንሳይ እንታይ ነይሩ ዝብል ንምርዳእ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ዝወስደና እዩ” ኢሉ መንግስቲ ሩዋንዳ። ካብ ሚያዝያ ክሳብ ሰነ 1994 ዓሌታዊ ህልቂት ሩዋንዳ ክፍጸም እንከሎ፡ ነታ ሃገር ዝመርሕዋ ዝነበሩ፡ ካብ ዓሌት ሁቱ ዝተመዙ ሰብ መዚ እዮም። ደሓር ግን፡ ካብ ዓሌት ቱትሲ ዝኾነ ፕረዚደንት ፖል ካጋሜ ዝመርሖ ሰልፊ፡ ንሰበስልጣን ሁቱ ብምእላይ ስልጣን ጨቢጡ። እቲ ሕዚ ወጺኡ ዘሎ ጸብጻብ፡ ኣብ’ቲ እዋን ፕረዚደንት ፈረንሳይ ዝነበረ ፍራንሷ ሚተራ፡ ኣብ ጉዳይ ዓሌታዊ ህልቂት ሩዋንዳ ቅኑዕ ፖሊሲ ኣይተኸተለን ክብል ይወቅስ። እዚ ውጽኢት ምርመራ ዕላዊ ኮይኑ ዘሎ፡ ፈረንሳይ ንዓመታት ነቲ ምስ ሰብመዚ ሁቱ ሩዋንዳ ዝነበራ ርክብ ብምሽጥር ዓቂባቶ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ። ፕረዚደንት ማክሮን ነዚ ምጽራይ ዝገብር 15 ኣባላት ዘለውዎ ኮሚሽን ቅድሚ ክልተ ዓመት እዩ ኣቑሙዎ። ፕረዚደንታዊ፣ ዲፕሎማስያዊ፣ ወተሃደራውን ጸጥታውን መዛግብቱ ክምርምሩ’ውን ፈቒዱሎም። ካብቶም መዛግብቲ ድማ፡ ኣብ’ቲ እዋን ንሩዋንዳ ይመርሕ ምስ ዝነበረ ካብ ዓሌት ሁቱ ዝኾነ ፕረዚደንት ጁቬናል ሃብያሪማና ጥቡቕ ርክብ ናይ ዝነበሮ ፕረዚደንት ፍራንሷ ሚተራ መዛግብቲ ይርከብዎም።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56547613"} {"headline":"ኣብ ርዋንዳ ካብ ባናና ዝተጾምቀ ቢራ 11 ሰባት ቀቲሉ","content":"ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ርዋንዳ እትርከብ ቡገሴራ ኣብ ዝተብሃለት ዞባ፡ ካብ ሙዝ [ባናና] ዝተጾሞቀ መቦቀላዊ ቢራ ዝሰተዩ ዓሰርተ ሓደ ሰባት ከምዝሞቱ ቤት ጽሕፈት መርመራ ርዋንዳ ኣረጋጊጹ። ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት ድማ ኣብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ድጋፍ ይግበረሎም ኣሎ ተባሂሉ። በዓል-መዚ ምግብን ኣፋውስን ርዋንዳ፡ ምኽንያት ሞት እቶም ሰባት ምስቲ ኣብ ካብዶም ዝተረኽበ ብዙሕ ሜታኖሎን ዝተብሃለ ዓይነት ኣልኮል ዝተሓሓዝ ክኸውን ከምዝኽእል ኣአንፊቱ ኣሎ። ቤት ጽሕፈት ምርመራ ርዋንዳ [RIB] ከምዘረጋገጾ፡ ነቲ ሞት ስዒቡ ወናኒ እቲ ቢራ ዝርከቦም ሓሙሽተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ። ምጽሟቕ እቲ ቢራ ሕጋዊ ፍቃድ ዘይነበሮን፡ ቅድም ክብል'ውን ከይሰርሕ ተኸልኪሉ ዝነበረ ምዃኑ እቲ ቤት ጽሕፈት ምርመራ ወሲኹ ሓቢሩ። ፍቓድ ዘይብሎም ጸሞቕቲ ባህላዊ ቢራ ጠጠው ከብሉ ብብርኪ ሃገር ጎስጓሳት ክካየዱ ቐንዮም ኣለዉ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59864765"} {"headline":"ዙር ርዋንዳ 2022፡ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣብ ዙር ርዋንዳ ክትሳተፍ እያ","content":"ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣብቲ ካብ 20 ክሳብ 27 ለካቲት 2022 ኣብ ርዋንዳ ዝካየድ 2.1 መዐቐኒ ዘለዎ ዙር ርዋንዳ ክትሳተፍ እያ። ካብ 2019 ጀሚሩ ብዩሲኣይ ናይ 2.1 መዐቀኒ ዝተውሃቦ ዙር ርዋንዳ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝካየዱ ዙራት ምስ ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ (ዙር ጋቦን) ተመሳሳሊ መዐቐኒ ብምሓዝ ኣብ ውዳብኡ፡ ጽፈቱን ትረቱን ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ዙር እዩ። ኣብ 2025 ቻምዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ከተካይድ ተረቊሓ ዘላ ርዋንዳ፡ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ንሻምፕዮን ዓለም እተአንግድ ቀዳመይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክትከውን እያ። እዚ ንመበል 14 ግዚኡ ዝካየድ ዘሎ ዙር ርዋንዳ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ዝሓለፈ ውድድራት ድሙቕ ዓወታት እዮም ከመዝግቡ ጸኒሖም። ኣብ 2019 ናብ 2.1 መዐቐኒ ካብ ዝሰግር ከም ኣብነት እንተወሲድና ኣብ 2019 ምስ ጋንታ ኣስታና ኮይኑ ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፈ መርሃዊ ቅዱስ ዕዉት ብጫ ማልያ ክኸውን እንከሎ ኣብ 2020 ኸኣ ናትናኤል ተስፋጽዮን ዕዉት ብጫ ማልያ ኮይኑ። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዙር ርዋንዳ 8 ግዜ ክትሳተፍ እንከላ፡ 24 ግዜ ናይ መድረኽ ዓወታት ብምምዝጋብ 3 ግዜ ተዓዋቲት ብጫ ማልያ ክትከውን ክኢላ-ኣብ 2010 ብዳንኤል ተክለሃይማኖት፡ ኣብ 2019 ብመርሃዊ ቅዱስ፡ ኣብ 2020 ብናትናኤል ተስፋጽዩን። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ርዋንዳ 19 ጋንታታት ክሳተፋ እየን። ዎርልድ ቱር፡ ኢስራኤል ስታርት ኣፕ ነሽን። ፕሮ ቲም፡ ቶታል ዳይረክት ኢነርጂ [ፈረንሳ]፡ ቢኤንድ ነቢ ሆቴልስ [ፈረንሳ]፤ ቲም ኖቮ ኖርዲክ [ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ]፡ ኣንድሮኒ ግዮካሊ [ጣልያን]፡ ቡርጎስ ቢኤች [ስጳኛ]። ዩሱኣይ ኮንቲነንታል ቲም፡ በንዲክሽን ሳይክሊንግ ቲም [ርዋንዳ] ፕሮ ታች ቲም [ደቡብ ኣፍሪቃ]፡ ባይክ ኣይድ [ጀርመን]፡ ቲኤስጂ ተራንጉኑ [ማሊዥያ]፡ ቲም ኮፕ [ኖርወይ]፡ ዋይልድ ላይፍ ጀነረሽን [ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ]፡ ቲም ኤስከይሴስ [ጀርመን]፡ ታርተሌቶ ኣይዞረክስ[በልጂም]። ሃገራውያን ጋንታታት: ኤርትራ፡ ርዋንዳ፡ ኣልጀርያ፡ ሞሮኮን ዓባይ ብሪጣንያን። እቲ ውድድር ሸሞንተ መድረኻት ዝሓዘ ኮይኑ ተጻወትቲ ኣብ ሸሞንቲኡ መድረኻት 933.2 ኪሎ ሜተር ክሽፍኑ'ዮም። ቀዳማይ መድረኽ፡ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ 4 ኪሎ ሜተር ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ካልኣይ መድረኽ፡ ኪጋሊ- ርዋማንጋን 148,3 ኪሎሜተር ሳልሳይ መድረኽ፡ ኪጋሊ- ሩባቩ 152 ኪሎ ሜተር ራብዓይ መድረኽ፡ ኪጋሊ- ጂኩምቢ 124,3 ኪሎ ሜተር ሓሙሻይ መድረኽ፡ ሙሃንጋ-ሙሳንዘ124,7 ኪሎ ሜተር ሻዱሻይ መድረኽ፡ ሙሳንዘ-ኪጋሊ 152 ኪሎ ሜተር ሻውዓይ መድረኽ፡ኪጋሊ- ማውንት ኪጋሊ 152,6 ኪሎ ሜተር ሻሙናይ መድረኽ፡ ኣብ ውሽቲ ኪጋሊ 75,3 ኪሎ ሜተር","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59487270"} {"headline":"ብስግረ ዶብ ዝተኣሰረ ሩዋንዳዊ ዘማሪ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞይቱ ተረኺቡ","content":"ሩዋንዳዊ ዘማሪ ኪትዞ ሚሂጎ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞይቱ ከምዝተረኸበ ሰብ መዚ እታ ሀገር ገሊጾም። ኣብ ጥቓ ዶብ ሩዋንዳን ብሩንዲን ምስተኣሰረ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ እዩ እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ። ፖሊስ፡ እቲ ዘማሪ ብስግረ-ዶብ ካብታ ሃገር ሃዲሙ ኣንጻር ሩዋንዳ ምስ ዝዋግኡ ዘለዉ ዕጡቓት ጉጅለታት ክጽምበር ፈቲኑ ክብሉ እዮም ዝኸስዎ። እቲ ዘማሪ፡ ቅድም ክብል ብዝተበየነሉ ፍርዲ ካብታ ሃገር ከይወጽእ ተኸልኪሉ ዝጸንሐ እዩ። ሚሂጎ 'ኢኑማ' (ርግቢት) ከምኡ ድማ 'ኢግሶባኑሪ ሲሩፕፉ' (ትርጉም ሞት) ብዝብላ መዝሙራቱ እዩ ኣዝዩ ዝፍለጥ። ፖሊስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ብሰኑይ ልሙድ ቁጽጽር እናተገበረ እንከሎ እዩ እቲ ዘማሪ ኣብቲ ዝተኣሰረሉ ክፍሊ ሞይቱ ተረኺቡ ኢሉ። ሚሂጎ፡ ብስግረ-ዶብን ብላዕ ብምሃብን እዩ ተኸሲሱ ነይሩ ይብል ጸብጻባት ሚድያ ናይታ ሃገር። እቲ ናይ ብላዕ ክሲ ዝቐረበሉ ድማ፡ ብስግረ ዶብ ይወጽእ ምህላዉ ንዝፈለጡ ሰባት ጉቦ ክህብ ፈቲኑ ብዝብል እዩ። ቢቢሲ ዘዛረቦ ሓደ ነባራይ ናይቲ ሚሂጎ ዝተትሓዘሉ ከባቢ፡ ደቂ ዓዲ ነቲ ዓብዪ ቦርሳ ተሰሸኪሙ ዝነበረ ዘማሪ ደው ኣቢሎም ንፖሊስ ኣረኪቦምዎ ይብል። 'ብሰንኪ ሙዚቃኡ እዩ ዒላማ ተገይሩ' ገለ ናይቲ ዘማሪ ኣድነቕቲ፡ ኣብ ሞት ሚሂጎ መንግስቲ መልሲ ክህብ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ጎስጓስ ይገብሩ ኣለዉ። ኣብ ደገ ዝነብሩ ነጠፍቲ ማሕበራዊ መራኸብታት ነቲ ብፖሊስ ሩዋንዳ ዝተውሃበ መግለጺ ነጺጎምዎ። እቲ ዘማሪ ኣብ ብሩንዲ ናብ ዝርከቡ ዕጡቓት ተቓወምቲ ክጽምበር ሓሳብ ኣይነበሮን፡ እኳደኣስ ናብታ ዝነብረላ ዝነበረ ቤልጅየም ክምለስ እዩ ነይሩ ድልየቱ ይብሉ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንርእሱ ቀቲሉ ዝብል እምነት እውን የብሎምን፡ ተቐቲሉ እዩ ዝብል ሓሳብ እዩ ዘለዎም። እቲ ዘማሪ ኣብ 2015 ንፕረዚደንት ፖል ካጋሜ ክቐትልን ኣንጻር መንግስቲ ጽልኢ ከለዓዕልን ፈቲኑ ብዝብል ማእሰርቲ 10 ዓመት ተፈሪድዎ ነይሩ። ኣብ 2018 ድማ በቲ ፕረዚደንት ምሕረት ተዋሂብዎ፡ ግን ከኣ ካብ ዓዲ ክወጽእ እንተኾይኑ ብፍቓድ ቤት ፍርዲ ጥራይ ክኸውን ተበይንዎ። ነቐፍቲ ናይቲ መንግስቲ፡ እቲ ዘማሪ ብምኽንያት ሙዚቃታቱ እዩ ዒላማ ዝግበር ነይሩ ይብሉ። ኣብ ሓደ መዝሙሩ፡ ኣብቲ ናይ 1994 ጃምላዊ ህልቂት ሩዋንዳ ዝሞቱ ሰባት፡ ካብ ብሄር ሁቱ ኮኑ ቱትሲ ብዘየገድስ ኩሎም ክዝከሩ ይግባእ ይብል። እዚ ድማ ካብቲ ናይ ወግዓዊ ተረኽ ናይ መንግስቲ ዝፍለ እዩ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51541681"} {"headline":"ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝርከቡ ርዋንዳውያን ምእዙዛት ክኾኑ ዘገድድ ማሕላ","content":"ለንደን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ርዋንዳ ዝተሳእለ ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ ቪድዮ-ስነስርዓት \"ማሕላ\"፡ ኣብ ልዕሊ ምልካዊ መንግስቲ እታ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ፡ ብገለ ነቐፍቲ'ውን ሓዳስ \"ሰሜን ኮርያ\" ዝብል ስም ዝወሃባ ሃገር ብዙሕ ክስታት ኣስዒቡ ኣሎ። ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ርዋንዳውያን፡ እቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽምብላት ልሙድ ምዃኑን፡ ፍርሕን ተማእዛዝነትን ንምስራጽ ዝግበር ምዃኑን ንቢቢሲ ሓቢሮም። ሓደ ሰብኣይ ምስቲ ስርዓት ንምትሕብባር ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ፡ ኣብ ርዋንዳ ዝርከቡ ስድራቤቱ ከም ዝተጨወዩን ተቐቲሎም'ውን ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይዛረብ። ሰበስልጣን ርዋንዳ ግና እቲ ክሲ መሰረት ዘይብሉ ሓሶት ብምባል ይነጽግዎ። ኣብቲ ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ኣብ 'ዋትስኣፕ' ዝዝርጋሕ ዘሎ ቪድዮ፡ ልዕሊ 30 ዝኾኑ ሰባት ኣብ ሓደ መኣከቢ ክፍሊ ኤምባሲ ርዋንዳ ኣብ ብሪጣንያ ኮይኖም፡ ኣእዳዎም ኣልዒሎም፡ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ኣር-ፒ-ኤፍ ተኣማንነቶም የረጋግጹ። \"እንተጠሊመ ወይ ካብ ትልሚ ኣር-ፒ-ኤፍ እንተወጺአ፡ ንኹሎም ርዋንዳውያን ከም ምኽዳዕ እዩ፤ ብማሕነቕቲ ድማ እቕጻዕ\" ክብሉ ይስምዑ: ብቋንቋ ኪንያርዋንዳ። ንሳቶም ወሲኾም፡ \"ኣብ ዝሃለው ይሃልው፡ ንጸላእቲ ርዋንዳ\" ክቃለስዎም ቃል ይኣትው። ሰልፊ ግንባር ሓርበኛታት ርዋንዳ (ኣር-ፒ-ኤፍ) ነቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ ኤምባሲ ንቅሉዕ ፖለቲካዊ መብጽዓ ምጥቃሙ ንባዕሉ'ውን ክስተብሃለሉ ዝግባእ እዩ። 'ፍርሒ ኣለዎም' ገለ ካብቶም ኣብቲ ጽምብል ዝተሳተፉ፡ ኣብ 2017 ዝተፈጸመ ምዃኑን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ሓቀኛታት ደገፍቲ እቲ ገዛኢ ሰልፊ ክኾኑ ከም ዝኽእሉን ክገልጹ እንከለው፡ ካልኦት ግና፡ ብዙሓት ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኽቡ ብሰንኪ ዝበጽሖም ምፍርራሕ ምዃኑ ይዛረቡ። \"እዚ'ዩ ኣብ ኩሉ ዝኸውን ዘሎ፤ ተለሚዱ እዩ። ወይ ትምሕል ወይ ድማ ተቓዋሚ ኢኻ። ንጹር እዩ\" ይብል ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ፖል ካጋመ ነበር፡ ዳቪድ ሃምቢራ። ዳቪድ ካናዳዊ ኮይኑ፡ መምህር ዩኒቨርስትን ኣክቲቪስትን እዩ። ንሱ ህይወቱ ብሓይልታት ጸጥታ ርዋንዳ ብተደጋጋሚ ኣብ ሓደጋ ከም ዝኣተወ ይዛረብ። ኣብ ቀረባ ኣብ ብሪጣንያ ብስርቂ ዝተኣሰረ ብሪጣንያዊ ርዋንዳዊ ተሓላቒ መሰላት ሬነ ሙጌንዚ፡ \"መብዛሕትኦም ስለ ዝፈርሑ እዮም ዝኸዱ። እንተዘይከይዶም፡ ንኣባላት ስድራቤቶም [ኣብ ርዋንዳ] ጸገም ከጋጥሞም እዩ ኢሎም ይኣምኑ\" ይብል። \"ኣብ ኣር-ፒ-ኤፍ ንጡፍ ክትከውን ኣሎካ። ወላ ገለልተኛ እንተኾንካ . . . ንተቓወምቲ ከም እትድግፍ ይጥርጥሩኻ\" ኢሉ። ብዛዕባ እቲ ናይ ቃለ ማሕላ ስነስርዓት ዝተሓተተ ኤምባሲ ርዋንዳ ኣብ ብሪጣንያ፡ ብኢመይል ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ርዋንዳውያን ኣባላት ዳያስፖራ ነቲ መኣከቢ ኣዳራሽ ንዝተፈላለየ ባህላዊ ጉዳያት ከም ዝጥቀምሉን ንሰልፊ ኣር-ፒ-ኤፍ ድጋፎም ምግላጾም ሕጋውን ብድልየቶም ዝገበርዎን ወላ ሓደ ዝተገደደ ከም ዘየሎን ሓቢሩ። \"ኣሕዋተይ ተጨውዮም ነይሮም\" ቢቢሲ ግና፡ መንግስቲ ርዋንዳ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝነበሩ ዘይምእዙዛት ዜጋታቱ ከፈራርሕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ርዋንዳ ንዝርከቡ ኣዝማድ እዞም ሰባት ዕላማ ብምግባር ከሳቕዮም ከም ዝፍትን ዘርእይ ሓድሽ መርትዖ ረኺቡ። \"ንዓይ ከፈራርሑ፡ ንኽልተ ኣሕዋተይ ጨውዮምዎም። ኣብ ፖለቲካ ዝኾነ ተሳትፎ ኣይነበሮምን። ኣብ ርዋንዳ እዮም ነይሮም። እዞም ሰባት ስለምንታይ ብዘይዝኾነ በደል ነዚ ከቢድ ዋጋ ይኸፍሉ?\" ይብል ኣብ ኣውስትራልያ ዝነብር ኖኤል ዚሃባምዌ። ዚሃባምዌ: ኣብ ማሕበረሰብ ርዋንዳ ኣብ ሲድኒ፡ ኣውስትራልያ ፍሉጥ ኣባል እዩ። ንሱ ኣብ 2006 እዩ፡ ካብቲ ዝተርኣዮ ጨቋኒ ፖለቲካዊ ኩነታት ብምህዳም፡ ስደተኛ ኮይኑ ናብታ ሃገር ኣትዩ። ንመንግስቲ ኣር-ፒ-ኤፍ ብንጥፈት ክሕግዝ ፍቓደኛ ብዘይምንባሩ፡ ኣብ 2017 ካብ ሓደ ርዋንዳዊ ዲፕሎማት ናይ ሞት ምፍርራሕ ከም ዝበጽሖን ናብ ሰብ መዚ ኣውስትራልያ ከም ዝሓበረን ይዛረብ። ብድሕሪ'ዚ ጂን ሰንጊማናን ኣንቶኒ ዚሃባምዌን ዝበሃሉ ክልተ ኣሕዋቱ ኣብ መስከረም 2019፡ ኣብ ከባቢ ከተማ ካራንጋዚ ካብ ኣውቶቡስ ብፖሊስ ከም እተወስዱን ብድሕሪኡ ከም ዘይተራእዩን ገሊጹ። \"ብዙሕ ጊዜ ከምዚ ዝኣመሰለ ምጭዋይን ምቕታልን ኣባል ስድራቤት እዮም ዝፍጽሙ። እዚ ደው ክብል ኣለዎ\" ኢሉ። ንሱ ወሲኹ፡ \"መንግስቲ ርዋንዳ፡ ደሞክራስያዊ መሰላት ንኹሉ ዜጋ ከረጋግጽ፡ ዕላማ ዝገበረ ቅትለት፡ ምጭዋይ፡ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ከምዚ ከማይ ኣብ ዝኣመሰሉ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ዜጋታት ነበር ምፍርራሕ ከቋርጽ\" ይግባእ ኢሉ። ንሱ ነዚ ጉዳይ ክዛረበሉ ዝወሰነ ኣሕዋቱ ተቐቲሎም እዮም ኢሉ ተስፋ ብምቑራጹ ምዃኑ ይገልጽ፤ እንተኾነ ግና: ጌና ንገዛእ ርእሱን ንኻልኦት ኣባላት ስድራቤቱን ስግኣት ከም ዘለዎ ሓቢሩ። \"ስለምንታይ እዮም እቲ ኣስከሬናት ኣበይ ከም ዘሎ ነቲ ስድራ ዘይሕብሩ፡ ሽዑ ብኣገባብ ክንቀብሮም? ኣብ ወጻኢ ብዙሓት ርዋንዳውያን መቕርቦም ስኢኖም ወይ ናፊቖም ኣለው። \"ኣንጻር ዘይፍትሓውነት ክዛረብ እየ። ንውሕዳት ጥራይ ዘይኮነ ንኹሉ ደው ዝብል መሪሕነት የድልየና ኣሎ\" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። 'እቲ ክስታት መሰረት የብሉን' ኤምባሲ ርዋንዳ ኣብ ለንደን፡ እቲ ዚሃባምዌን ዝቐረበ ክስታት \"ፖለቲካዊ ተቓወምቲ ናይ ሚድያ ኣቓልቦ ንምርካብ ዝብልዎ ሕሱር ብልሓት'ዩ\" ብምባል ነጺግዎ። እንተኾነ ግና ብዙሓት ተመራመርቲ፡ ጉጅለታት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዲፕሎማሰኛታትን ነቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ክስታት ብዕቱብ ይርእይዎ እኳ እንተኾኑ፡ ሰብመዚ ርዋንዳ እቲ ብመንግስታት ምዕራብ ዝወሃብ ነቐፌታ ኣብ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ርዋንዳ ብዙሕ ጽልዋ ከም ዘይብሉ ገምጊሞም እዮም ይብሉ። መንግስቲ ርዋንዳ፡ ብምኽንያት እቲ ንርዋንዳ ዝቐየረን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ሓንቲ ካብ ሰሓቢ ቁጠባ ክትከውን ዘኽኣለን ዕውት ናይ ልምዓት መደባቱ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብዙሕ ምትብባዕን ገንዘባዊ ሓገዝን ተዋሂቡ እዩ። \"እቲ ኣተሓሳስብኦም - ድላይና ክንገብር ንኽእል ኢና፡ ንዝደለናዮ ንቐትል\" ይብል ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ምንጭና። ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት፡ እቲ ኣብ እዋን ህልቂት ርዋንዳ 1994 ንብዙሓት ዘዕቆበ ርዋንዳዊ ብግብረሽበራ ተኸሲሱ ናብ ርዋንዳ ከም ዝወሃብ ምስ ተገበረ ብዙሕ ተቓውሞታት ተሰሚዑ እዩ። ህቡብ ዘማሪ ኪዚቶ ሚሂጎ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ድሕሪ ምምዋቱ'ውን ቁጥዐ ኣስዒቡ እዩ። ኪዚቶ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዶብ ርዋንዳ ክሰግር ከም እተትሓዘ ሰብ መዚ ይዛረቡ። ድሒሩ ርእሰ ቅትለት ከም ዝፈጸመ'ውን ገሊጾም። እንተኾነ ግና ብዙሓት ነዚ መብርሂ ኣይተቐበልዎን። ዳይሬክተር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ሳራ ጃክሰን \"ርዋንዳዊ እንተኾይንካ፡ እቲ ዝቐለለን ውሑስን፡ ሱቕ ምባል እዩ\" ትብል። \"ሰብ መዚ ርዋንዳ ኣብ ውሽጢ ኮነ ኣብ ወጻኢ፡ ዝርአ ኣብያ ንምጭፍላቕ ዝጥቀሙሉ ዝተፈላለየ ሜላታት ኣለዎም። ካብ ምስርጣይ ክሳብ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ ጭውያ፡ ምስቓይን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝነብሩ ብዘይ ሕጋዊ መስርሕ ናብ ርዋንዳ ምምላስን ኣባላት ስድራቤትካ ምፍርራሕን ይርከብዎም\" ኢላ። ኤምባሲ ሩዋንዳ ኣብ ለንደን እዞም ክስታት ሓቅነት ከምዘይብሎምን፡ \"ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ. . . ንምስሊ ርዋንዳ ንምብልሻው ዝንቀሳቐሱ ተቓወምቲ\" ዝናፈስ ምዃኑ ገሊጹ። 'ምልኪ' ፕረዚደንት ፖል ካጋመ ኣብ 2017 ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ዳርጋ 99% ድምጺ ከም ዝረኸበ ይፍለጥ። ኣብ ለንደን ዝርከብ ኣባል መሪሕነት ተቓዋሚ ሰልፊ ሃገራዊ ጉባኤ ርዋንዳ፡ ኣብዱለካሪም ዓሊ \"ወይ ንኣርፒኤፍ ምእዙዝ ትኸውን ወይ ድማ ጸላኢ ሃገር ትኸውን። ምስ ሰሜን ኮርያ ኢና ነመሳስሎ\" ኢሉ። ኣብ ካናዳ ዝርከብ ሂምባራ ብወገኑ: ንስነ ሓሳብ መንግስቲ ርዋንዳ ክገልጾ እንከሎ፡ \"ንኹሉ ሸነኻት ህዝቢ ርዋንዳ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት'ውን ከይተረፈ፡ ክቆጻጸር ዝደሊ ምልካዊ\" ይብሎ። ኤምባሲ ርዋንዳ ኣብ ለንደን፡ መንግስቲ ቀንዲ ኣተኩሮኡ ንርዋንዳውያን ካብ ድኽነት ምውጻእን ዝሓሸ ህይወትን ዕድላትን ንኹሉ ምፍጣርን ምዃኑ ይገልጽ። \"ኣተኩሮ እቲ ኤምባሲ፡ ኣብቶም ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ፡ ንምስልን ልምዓትን ርዋንዳ ንምድዋን ብቐጻሊ ዝንቀሳቐሱ ተቓወምቲ ኣይኮነን\" ኢሉ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54989480"} {"headline":"ዙር ርዋንዳ ሻድሻይ መድረኽ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ብጫ ማልያ ዓቂቡ፡ ሙጊሻ ናይ ጊዜ ፍልልዩ ኣጽቢቡ","content":"ሻድሻይ መድረኽ ዙር ርዋንድ 2020 ኮሎምብያዊ ተቐዳዳሚ ጋንታ ኣንድሮኒ ጅዮካቶሊ፡ ጆናታን ረስትሬፖ ናይ ሓምሻይ መድረክ ዓወቱ ደጊሙ። 127.3 ኪሜ ዝሸፈነ ሻድሻይ መድረኽ ካብ ሙሳነዘ ናብ ሙሃንጋ እዩ ተኻይዱ። ተቐዳዳሚ እስራኤል ስታርትኣፕ ስዊዘርላዳዊ ፓትሪክ ሸሊንግ ካልኣይን ተቐዳዳሚ ቲኤስጂ ሳይክሊን ኮሎምብያዊ ካርሎስ ጁልያንን ብተመሳሳሊ ግዜ [3 ሰዓት 9 ደቓይቕን 32 ካልኢትን] ሳልሳይ ኮይኖም ዛዚሞም። ተቐዳዳሚ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናትናኤል ተስፋጽዮን ብሓፈሻ ኣብቲ ውድድር ብሉጽ ግዜ ብምምዝጋብ ንሳልሳይ መዓልቲ ብጫ ማልያ ዓቂቡ ኣሎ። ካልኣይ ኮይኑ ዝስዕቦ ዘሎ ተቐዳዳሚ ጋንታ ስኮል ኣድረን ሳይክሊን ኣካዳሚ፡ ርዋንዳዊ ሞይስ ሙጊሻ፡ ሎሚ ሻምናይ ብምእታው ንፍልልያቱ ዳርጋ ብፍርቂ ብምጉዳል ናብ 1 ደቒቕን 8 ካልኢትን ኣውሪድዎ ኣሎ። ኣብቲ ሎሚ ዓርቢ ዝተኻየደ ውድድር ብዘይካ ተቐዳዳሚ እስራኤል ስታርትኣፕ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ዓወት ዓንደመስቀል [5ይ ዛዚሙ]፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ምስ ቀዳሞት ዓሰርተ ሕንጻጽ ክረግጹ ኣይከኣሉን። በዚ ድማ ብደረጃ ጋንታ ቀዳመይቲ ኮይና ክትመርሕ ዝጸንሐት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናብ ካልኣይ ወሪዳ። ተቐዳዳሚ ጋንታ ኒፖ ደልኮ ኢትዮጵያዊ ክንፈ ሃይለሚካኤል ሻብዓይ ኮይኑ ኣትዩ። ኣብ ናይ ፍጥነት ወይ ቮላታ፡ ኤርትራዊ ዳዊት የማነ ብ21 ነጥቢ ቀዳማይ ኮይኑ ክመርሕ ከሎ፤ ኢትዮጵያዊ ቡሩ ተመስገን ብ10 ነጥቢ ካልኣይ ኮይኑ ይስዕቦ ኣሎ። ናትናኤል ብደረጃ መንእሰያት ተቐዳደምቲ'ውን ቅድሚት ተሰሪዑ ይመርህ ኣሎ። ኣበዚ ናይ ሎሚ ውድድር ኣብ ከባቢ መበል 70 ኪሜ ብዘጋጠመ ምውዳቕ፡ ብዙሓት ተቐዳደምቲ ብምዕጋቶም ነቲ ውጽኢት ጸልይዎ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሸሞንተ መድረኻት ዘለዎ ዙር ርዋነዳ 2020 ካብ ዓርቢ 23 ለካቲት ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ ሰንበት 1 መጋቢት ኣብ ከተማ ኪጋሊ ብዝካየድ ናይ ከተማ ውድድር ክዛዘም እዩ። ዙር ርዋንዳ ናይ 2.1 መዓቀኒ ካብ ዘለዎም ክልተ ውድድራት ኣፍሪቃ ሓደ'ዩ። ወዲ 20 ዓመት ናትናኤል ተዓዋቲ ንመንእሰያት ዝወሃብ ሰማያዊ ማልያ'ውን ኮይኑ ይመርሕ ኣሎ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51655767"} {"headline":"ቡሩንዲ፡ ግዳያት ጃምላዊ ህልቂት ዝተቐብሩሉ ጋህሲ ንህዝቢ ተኸፊቱ","content":"ኣብ ቀንዲ ከተማ 'ታ ሃገር ዝኾነት ቡጁምቡራ ዝርከብ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ግዳያት ጃምላዊ ህልቂት ቡሩንዲ ዝተቐብሩሉ ጋህሲ፡ ንህዝቢ ክፉት ኮይኑ። እቶም ግዳያት፡ ድሕሪ ቅትለት ፕረዚደንት ነበር መልኲዮር ዳዳየ ኣብ ዝተፈጥረ ግጭት፡ ዝተቐትሉ'ዮም። እቲ ኣብ 1993 ዝተፈጸመ ቅትለት፡ ናይቲ ንፈለማ ግዜ ብምርጫ ኣብ ስልጣን ዝመጸረ ፕረዚደንት ዳዳየ፡ ኣብ መንጎ እቲ ብዉሑዳን ብሄረ ቱትሱ ዝዕብለል ሰራዊት መንግስትን፡ ዕጡቓት ተቓወምቲ ሁቱን፡ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ኣስዒቡ'ዩ። ኣብቲ ን12 ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት፡ ልዕሊ 300 000 ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ዝጀመረ ኲዕታ ናይቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከተማ ቡጁምቡራ፡ ዝርከብ ጋህሲ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰንበት ተፈጺሙ። ትማሊ ሰኑይ ድማ ንህዝቢ ክፉት ኮይኑ'ሎ። ኣብቲ ቦታ ብደም ዝጨቀወ ክዳውንትን ናይ መንነት ካርድታትን ናይቶም ግዳያት ንምርኢት ቀሪቡ'ሎ። ምክትል ኣቦመንበር፡ ኮሚሽን ሓቅን ዕርቅን ቡሩንዲ፡ ኖህ ክለመንት ኒንዚዛ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ጋህሲ ሬሳ ናይ 250 ሰባት ከም ዝተረኽበ ሓቢሩ። \"ገለ በጻሕቲ ንሬሳ ቤተሰቦም ከለልዩ ኪኢሎም፡ ይበኽዩ ነይሮም። ስንባደ ፈጢሩ'ሎ\" ክብል፡ እቲ ምክትል ኮሚሽነር ተዛሪቡ። እቲ ነቲ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ህልቂት ብምጽራይ፡ ኣብ መንጎ ሁቱን ቱትስን ዕርቂ ከውርድ ሓላፍነት ዝተዋህቦ ኮሚሽን፡ ሎሚ ጸብጻብ ናይቲ ኣብ ካልኦት ጋህስታት ዝረኸቦ ጭብጥታት ከቕርብ ትጽቢት ይግበረሉ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51110256"} {"headline":"ርዋንዳ ኣንጻር መንሽሮ ማህጸን ኣብ ዝግበር ቃልሲ መሪሕ ተራ ትጻወት ኣላ","content":"መንሽሮ ማህጸን፡ ኣብ ዓለም ንደቂ-ኣንስትዮ ካብ ዘጥቅዑ ዓይነታት ናይቲ ሕማም ኣብ ራባዓይ ደረጃ ይስራዕ። ኣብ ኣፍሪቃ ግን፡ ካብ ካልእ ዞባታት ንላዕሊ፡ ኣዝዩ ቀታሊ ምዃኑ ይፍለጥ፡ ዋላ'ኳ ምክልኻሉ ዝከኣል እንተኾነ። ኣብ ርዋንዳ ኣንጻር መንሽሮ ማህጸን ዝካየድ ዘሎ ኣብነታዊ ወፍሪ፡ ካልኦት ሃገራት ናይታ ኣህጉር ክስዕብኦ ጀሚረን ዘለዋ'ዩ። ኣንጀሊን ኡሳናሰ፡ ኣብ ርእሰከተማ ኪጋሊ እትነብር ኮይና፡ ኩነታት ጥዕናኣ ሃንደበት ዝተለወጠሉ መዓልቲ ኣይትርስዓን'ያ። ሕዳር 2017 ነይሩ፡ ኣብ መታንታ ደም ዝራኣየትሉ መዓልቲ። ግን ልሙድ ደም ኣይነበረን። ጓል 67 ኡሳናሰ፡ ወርሓዊ ጽግያት ዝራኣየሉ ዕድመ ሓሊፋቶ'ያ፡ ስለዚ ዋላ ቁሩብ ደም ክትርኢ ትጽቢት ኣይነበራን። \"ኣብ ቀረባይ ናብ ዝነበረ ማእከል ጥዕና ምስ ከድኩ፡ እቶም ሓካይም፡ መርመራ መንሽሮ ማህጸን ከካይድ ኣዚዞም።\" \"እቲ ውጽኢት ድማ፡ እወታዊ ኮይኑ። ኣዝየ ተደናጊረ። ክቕበሎ ኣይከኣልኩን- ዝመዉት'ዩ መሲሉኒ\" ትብል። ቀልጢፋ ምልክታት ምርኣያን፡ ኣብ ግዚኡ ሕክምናዊ ክንክን ምርካባን ሂወታ ከም ዘድሓነ'ያ ወይዘሮ ኡሳናሰ ትዛረብ። ኣብዛ ናይ ሎሚ ርዋንዳ እንተ ዝኸውን ግን፡ ብመሰረቱ'ውን በቲ ሕማም ኣይምተጠቕዐትን፡ ሳላ'ቲ ኣብ መላእ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ክትባትን፡ ናይ መንሽሮ መርመራን። ኣብ ኣፍሪቃ፡ መንሽሮ ማህጸን፡ ኣብ ደቂ-ኣንስትዩ ካብ ዝራኣዩ ዓይነታት ናይቲ ሕማም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይስራዕ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣዝዩ ቀታሊ ዝበሃል ዓይነት መንሽሮ ምዃኑ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር። ጠንቂ ናይቲ ኣብ ኩለን ግዳያት ዝረአ መንሽሮ ማህጸን 'ሂማን ፓፒሎማ ቫይረስ' (ኤች-ፒ-ቪ) ዝተባህለ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ህዋስ (ቫይረስ) እዩ። ዋላ'ኳ ቁጽሪ ናይተን በቲ ሕማም ዝሞታ ደቂ ኣንስትዩ ዝለዓለ እንተኾነን፡ ኣድማዒ ክትባት እንተ ሃለወን፡ 10 ሃገራት ኣፍሪቃ ጥራይ'የን፡ ስሩዕ ናይ ኤች-ፒ-ቪ ክትባት ዝህባ። ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ሰኔጋል ጥራይ'ያ፡ ነቲ ክትባት ትህብ፡ ከም በዓል ናይጀርያ ዝበላ ካልኦት ሃገራት ናይቲ ዞባ ድማ፡ ናይ ፈተነ ፕሮግራማት የካይዳ። እቲ ኩነታት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝሓሸ'ዩ፡ ምኽንያቱ፡ ክትባት ኤች-ፒ-ቪ ኣብ ኬንያ፡ ዩጋንዳ፡ ታንዛንያ፡ ኢትዮጵያን ርዋንዳን ስለዝወሃብ። ርዋንዳ፡ ለበዳ ኤች-ፒ-ቪ ንምውጋድን፡ ደቂ-ኣንስትዮ ቀልጢፈን ሕክምና መንሽሮ ማህጸን ክረኽባ ንምትብባዕን፡ ኣብ 2011 ሓያል ወፍሪ ኣበጊሳ። ዕላማ ናይቲ ውጥን፡ ኣዋልድ ቀልጢፈን ክኽተባ ንምግባርን፡ መርመራ ማህጸን ምስ ደቂ-ኣንስትዩ ንምፍላጥን እዩ ነይሩ። ኣብታ ፈላሚት ዓመት ናይቲ መደብ፡ ርዋንዳ፡ ካብተን ነቲ ክትባት ክወስዳ ዝኽእላ 10 ዋልድ ነተን 9 ክትበጽሐን ምኽኣላ፡ ብኪኢላታት ከም ኣብነት ዝጥቀስ ዓወት ክኸውን ኪኢሉ። ይኹን እምበር፡ ጉዕዞ ርዋንዳ'ውን ሓጎጽጎጽ ዘይነበሮ ኣይኮነን። ፈለማ ርዋንዳ ነቲ መደብ ከትጅምሮ እንከላ፡ ገለ ወገናት ማሕበረሰብ ዓለም፡ ክቡር ስለዝኾነ፡ ኣይትኽእሎን'ያ ብዝብል፡ ኣቶኩሮኣ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ህጻናት ክትገብር ይምሕጸኑ ነይሮም። መንግስቲ'ታ ሃገር ግን፡ ምስ ሓደ ዓለምለኻዊ መፍረዪ መድሃኒት ብምሽራኽ፡ ንሰለስተ ዓመት ዝጸንሕ፡ ናጻ ክትባት ክወሃብ ጌሩ። ሓያሎ ዘይነዓቑ ባህላዊ ብድሆታት'ውን ክስገሩ ነይርዎም'ዩ። \"መንሽሮ ማህጸን ብጥንቆላ'ዩ ዝመሓላለፍ ኢለን ዝኣምናን፡ ንክሕከማ፡ ኣብ ክንዲ ናብ ሓካይም ናብ ጠንቆልቲ ዝኸዳ ደቂ-ኣንስትዮ ክሳብ ሕጂ ኣለዋ\" ትብል ኡሳናሰ። ማህጸነን ከይእለ ዝሰግኣ ደቂ-ኣንስትዩ'ውን ኣይተሳእናን፡ ትብል ንሳ። ክፍለጥ ዝግብኦ ግን፡ መጥባሕቲ ነተን ድሮ መንሽሮ ማህጸን ዘለወን ዝግበር እምበር፡ ንምክልኻሉ ተባሂሉ ዝካየድ ኣይኮነን። \"መንሽሮ ማህጸን፡ ካብቶም ኣብ ርዋንዳ ዝራኣዩ ቀንዲ ዓይነታት መንሽሮ'ዮም፡ ዝበዝሓ ደቂ-ኣንስትዩ ድማ፡ ደንጒየን'የን ናብ ሕክምና ዝመጻ\" ይብል ዶ\/ር ፍራንስዋ ኡዊንክዊንዲ፡ ኣብ ማእከል ባዮሜዲካል ርዋንዳ፡ ዳይረክተር ክፍሊ ምቁጽጻር መንሽሮ። ብምትሕብባር፡ ልምዳውያን መራሕቲ፡ ኣብያተ-ክርስትያን፡ መራሕቲ ዓዲ፡ ሰራሕተኛታት ጥዕና፡ ኣብያተ-ትምህርቲን መራኸቢ ብዙሃንን፡ ነቲ ብዛዕባ'ቲ ክትባት ዘሎ ግጉይ ብሂላት ንምቅላስ መንግስቲ ዓቢ ናይ ጎስጓስ ወፍሪ ኣካዪዱ። እቲ ክትባት፡ ነተን ኣዋልድ ኣብ ቤት ትምህርቲ'ዩ ዝወሃበን፡ ካብኡ ወጻኢ ንዘለዋ ድማ ኣብ ገዝአን ይወሃበን። ሰብመዚ ጥዕና ድማ፡ ብዝኾነ ምኽንያት ዘየቋርጽ ቀረብ ክትባት ከም ዝህሉ ክገብሩ ኪኢሎም። እቲ ካብ ታሕቲ ዝጀመረ መደብ፡ ድሕሪ 8 ዓመት ኣካል ናይቲ ኣብታ ሃገር ዝወሃብ ስሩዕ ክትባታት ኮይኑ ይርከብ። ዋላ'ኳ ነቲ ናይ ርዋንዳ መደብ ብንጹር ዘርኢ ማዕከን ሓበሬታ እንተ ዘየሎ፡ ኣብተን ተመሳሳሊ መደባት ዘተኣታተዋ ሃገራት፡ መጠን ለበዳ ኤች-ፒ-ቪ ኣብ መንእሰያት ቅልጡፍ ምጉዳል ኣርእዩ'ዩ። ኣውስትራልያ፡ ኣብ 2007 ሓፈሻዊ ክትባት ከተካይድ ጀሚራ። መርመራ መንሽሮ ማህጸን ግን ካብ 1991 እያ ጀሚራቶ። ኣብዚ እዋን'ዚ ድማ፡ ካብ 100 000 ሰባት ኣብ 7 ጥራይ እቲ ሕማም ይረአ። ኣብ 2020 ድማ ናብ 6 ጥራይ ክወርድ ትጽቢት ይግበር። ኢትዮጵያ እትርከበን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ'ውን ኣሰር ርዋንዳ ክኽተላ ጀሚረን ኣለዋ። ኣብ ጥሪ፡ መንግስቲ ኬንያ ምስ ዓለምለኻውያን መወልቲ ብምትህብባር፡ ከትባት ኤች-ፒ-ቪ ኣካል ናይቲ ኣብታ ሃገር ዝወሃብ ስሩዕ ክትባታት ክኸውን ኣዊጁ'ሎ። ኣብ ዓመት፡ 800 000 ደቂ-ዓሰርተ ዓመት ኣዋልድ ንምኽታብ ወጢና'ላ። \"ኣብ ኬንያ፡ ትሻዓተ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ መዓልቲ ይሞታ። እዚ [መደብ] ድማ ንናኣሽቱ ኣዋልድ ክትባት ብምሃብን፡ ንዓበይቲ ድማ መርመራ ብምግባርን ነቲ ሕማም ንምክልኻል ዝዓለመ'ዩ\" ትብል ማርሊን ተመርማን፡ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ኣጋ ክሃን ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ስነ-ማህጸን። ይኹን እምበር፡ ገለ ወገናት ነቲ ክትባት ኣይኣምንዎን'ዮም፡ ዋላ'ኳ ውድብ ጥዕና ዓለም ውሕስነቱን ኣደማዕነቱን ዘረጋገጾ እንተኾነ፡ ዉሱን ጎድናዊ ሳዕቤን ብዘየገድስ። \"በቲ ዝስማዕ ፈሪሐ ንጓል ዓሰርተ ዓመት ጓለይ ኣይወሰድኩዋን። ደቅና ክለምሱ'ዮም ወይ ምርጋእ ደም ከጋጥሞም'ዩ ዝብል ወረ ኣሎ። ብዛባ'ቲ ክትባት ዝኾነ ኣስተምህሮ ኣይተዋህበናን\" ትብል ቦንጀ ኣትማን፡ ኣብ ወዳባዊት ከተማ ሞምባሳ እትነብር ኣደ። ማሕበር ካቶሊካውያን ሓካይም ኬንያ (KCDA)፡ ዝተባህለ ሃይማኖታዊ ጉጅለ ብወገኑ፡ ንናኣሽቱ ኣዋልድ ክወሃብ የብሉን ብዝብል፡ ህዝቢ ነቲ ክትባት ክሕሰሞ ጸዊዑ'ሎ። ኣብ ክንድኡ፡ ንለበዳ ኤች-ፒ-ቪ ንምክልኻል፡ ስጋዊ ርክብ ምሕራምን፡ ምስ መጻምድኻ ምጽናዕን የድሊ ክብል ይምጉት። ርዋንዳ ግን፡ በቲ ዘመዝገበቶ ዓወት ከይዓገበት፡ መንሽሮ ማህጸን ጠቕሊሉ ክውገድ ጻዕርታታ ኣበሪኻቶ'ላ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50588705"} {"headline":"ሩዋንዳ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብኣግባቡ ንዘይገብሩ ሰባት 10 ዶላር ክትቐጽዕ እያ","content":"ሰበስልጣን ዋና ከተማ ሩዋንዳ ዝኾነት ኪጋሊ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብኣግባቡ ዘይገብሩ ሰባት 10 ዶላር ክቐጽዑ ምዃኖም ኣፍሊጦም። ኣብ ህዝባዊ ቦታታት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘይገበሩ ከምኡ’ውን ብኣግባቡ ዘይተጠቐሙ ነበርቲ እታ ከተማ ግዳይ እቲ መቕጻዕቲ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ’ሎ። ብዘይካ’ዚ ክሳብ 2 ሜትሮ ኣካላዊ ርሕቐት ዘይሓለዉን ንዝተኣወጀ ሰዓት እቶ እቶ ዘየኽበሩን ዜጋታት’ውን ከምዝቕጽዑ’ዩ ዝተገለጸ። ዝተፈላለዩ በዓላት ኮነ ካልኦት ድግሳት ዘዳለዉ ኣካላት 200 ዶላር ኣብቶም ምድላዋት ዝተረኸቡ ድማ 25 ዶላር ክቕጽዑ እዮም። ኣብታ ሃገር ዛጊድ ልዕሊ 4,200 ሰባት ኮሮናቫይረስ ክተሓዙ ከለዉ 17 ሰባት ከምዝሞቱ ይግለጽ። ርዋንዳ ኣብ ምክልኻል እቲ ለብዒ ብዝወሰደቶም ዕውታት ስጉምትታት ትነኣድ። ካብ ሃገራት ትሕቲ ሳህራ ኣፍሪቃ’ውን ፈለማይ ሕሙም ኮሮናቫይረስ ምስረኸመት ምሉእ ዕጽዋ ዝኣወጀት ፈላመይቲ ሃገር እያ። ንገደባት ጥሒሶም ዝተረኸቡ ሰባት ከኣ ናብ ሜዳታት ኩዕሶ ወይ ኣብያተ ትምህርቲ ተወሲዶም ምሉእ መዓልቲ ወይ ምሉእ ለይቲ ከሕልፉ ይግበር ነይሩ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54019674"} {"headline":"ፖሊስ ኔዘርላንድ ኣብ ጃምላዊ ህልቂት ርዋንዳ ተሳቲፉ ንዝበሎ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ","content":"ፖሊስ ኔዘርላንድስ፡ ኣብቲ ኣብ 1994 ኣብ ርዋንዳ ዝተኻየደ ጃምላዊ ህልቂት ኢድ ነይርዎ እዩ ንዝበሎ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ኣፍሊጡ። እዚ ወዲ 71 ዓመት ዝኾነ ጥርጡር፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ርዋንዳ ከተማ ኪጋሊ ጸሓፊ ባንክን ወናኒ ቤት መሸጣ መድሃኒት ዝነበረ ኮይኑ፡ ካብ ዓሌት ቱትሲ ክቕተሉ ዘለዎም ብምባል ስእሊ ኣዳልዩ ብዝብል እዩ ተጠርጢሩ ዘሎ። ብዘይካ እዚ ኣብ ጭፍጨፋ ዓሌት ቱትሲ’ውን ተሳቲፉ እዩ ዝብል ክሲ እውን ኣሎ። ኣብቲ ኣብ 1994 ኣብ ርዋንዳ ዘጋጣመ ጃምላዊ ህልቂት ኣብ ውሽጢ 100 መዓልታት ልዕሊ 800,000 ሰባት ከምዝሞቱ እዩ ዝንገር። መንግስቲ ርዋንዳ፡ መንግስቲ ነዜርላንድስ ነቲ ጥርጡር ከተረክቦ ወግዓዊ ሕቶ ኣቕሪቡ ኣሎ። እቲ ጥርጡር ኣብ 2000 ኣብ ኔዘርላንድ ሕቶ ዑቕባ ብምቕራብ ክሳብ ሕጂ ኣብታ ሃገር ክነብር ከምዝጸንሐ እዩ ጸብጻባቱ ዝሕብር። ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ’ውን ፈሊሲ ካቡጋ ዝተብሃለ ርዋንዳዊ ብዓል ዋኒን፡ ኣብቲ ኣብ 1994 ኣብ ርዋንዳ ዝተኻደ ጃምላዊ ህልቂት ገንዘባዊ ምወላ ትገበር ኔርካ ኢኻ ብዝብል ክሲ ኣብ ፓሪስ ብፖሊስ ፈረንሳ ኣብ ትሕሪ ቀይዲ ምእታዉ ዝዝከር እዩ። ፈሊሲ ካቡጋ ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ፡ እቲ ክሲ ብምልኡ ‘ሓሶት’ዩ’ ኢሉ ምምላሱ’ውን ይዝከር።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54701924"} {"headline":"ዓሶ፡ ጽግዕተኛ ታህዋስያን ንመድሃኒት ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ምምዕባሉ ተገሊጹ","content":"ዓሶ ዘመሓላልፍ ጽግዕተኛ ታህዋስያን ንመድሃኒት ዓሶ ዝኾነ ኣርተሙሲኒን ናይ ምጽዋር ዓቕሚ የጥሪ ምህላው ኣብ ርዋንዳ ዝተኻደ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ። እዚ ርኽበት እዚ ናይ መጀመርታ ምኳኑ ድማ ኣቃልቦ ስሒቡ ይርከብ። እቲ ‘ፓብሊሽ ኢን ኔቸር’ ዝተሰመየ መጽናዕቲ እቲ ጽግዕተኛ ታህዋስያን ንመድሃኒት ዓሶ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ኣርተሙሲኒን ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ኣጥርዩ ምህላዉ ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ሰብ ሞያ ሓቢሮም። እቶም ተመራመርቲ “እዚ ንጥዕና ደቂ ሰባት ኣዝዩ ኣስጋኢ ክስተት’ዩ፤ ብፍላይ ድማ ንኣፍሪቃ” ኢሎም ኣለዉ። እዚ መጽናዕቲ ኣብ ርዋንዳ ካብ ዝርከቡ ሕሙማት ቅምሶ ብምውሳድ ብምትሕብባር ኣብ ርዋንዳ ዝርክብ ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማም ዓሶ፡ ውድብ ጥዕና ዓለምን ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኮሎምብያን ተኻይዱ። ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ ካብ 257 ሕሙማት ኣብ 19 ሕሙማት እቶም ታህዋስያን ነቲ መድሃኒት ሕማም ዓሶ ዝኾነ ኣርትምሲኒን ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ኣጥርዮም ተረኺቦም። ፍልቀት ጽግዕተኛ ታህዋስያን እቶም ጽግዕተኛ ታህዋስያን ንመድሓኒት ዓሶ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ምጥራዮም፡ “ጠንቂ ኣብ 1980ታት ብሕማም ዓሶ ናይ ዝሞቱ ሚልዮናት ኣፍሪቃውያን ንሱ ክኸውን ይኽእል’ዩ” ናብ ዝብል ጥርጣረ ኣምሪሕዎም ምህላዉ እቶም ተመራመርቲ ገሊጸም። ክሎሮኵን ዝተበሃለ መድሃኒት ሕማም ዓሶ ምስ ተረኸበ፡ ተመራመርቲ እቲ ሕማም ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ዓመታት ጠቅሊሉ ዝጠፍእ መሲልዎም ነይሩ። እንተኾነ ካብ 1950ታት ጀሚሩ እቲ ጽግዕተኛ ታህዋስያን ንዝተሰርሑ መድሃኒታት ዓሶ ተጻዋርነት ከጥሪ ጸኒሑ’ዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ሕማም ዓሶ ኣርተሚሲኒን ከምኡ ድማ ፓይፕራኵን ብዝብሃሉ ክልተ መድሃኒታት እዩ ዝፍወስ ዘሎ። እቲ ጽግዕተኛ ታህዋስያን ግን ድሕሪ 2008 ንመጀምርታ ግዜ ንኣርተሚሲኒን ናይ ምጽዋር ባህሪ ከም ዘጥረየ ሕጂ ክረጋገጽ ክኢሉ። እዞም ተመራመርቲ እዚ ጽግዕተኛ ታህዋስያን ኣብ ምጽዋር እዚ መድሃኒት ቅልጡፍ ምዕባለ ከየርኢ’ሞ ሕማም ዓሶ ሞት ብዙሓት ሰባት ከየስዕብ ስግኣቶም ይግልጹ ኣለዉ። ኣብ 2018 ካብቶም ብሕማም ዓሶ ካብ ዝሞቱ ልዕሊ 400,000 ሰባት እቶም 90 ሚኢታዊት ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ’ዮም።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53690518"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ትእዛዝ ዕጽዋ ኮሮናቫይረስ ዝጠሓሰ ርዋንዳዊ ብሓርገጽ ተበሊዑ","content":"ሓደ ርዋንዳዊ፡ ነቲ ብመንግስቲ እታ ሃገር ዝተዋህበ መምርሒ ርእሰ-ውሸባ ጢሒሱ ዓሳ ክገፍፍ ምስ ከደ ብሓርገጽ ከምዝተበልዐ ከንቲባ ከተማ ካሞኚ ንቢቢሲ ሓቢሩ። እቲ ከንቲባ ከምዝገለጾ፡ እቲ ግዳይ ትማሊ ሮቡዕ'ዩ ኣብ ፈለግ ናይባሮንጎ እቲ ሓደጋ ኣጋጢምዎ። \"እቲ ሰብኣይ ነቲ ካብ ገዛኹም ኣይትውጽኡ ዝብል ትእዛዝ ጥሒሱ። ካብቶም ውሑዳት ንኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ዘይተሓባበሩ እዩ\" ክበል እቲ ከንቲባ ገሊጹ። ሰብመዚ ርዋንዳ፡ ካብ ሰንበት ጀሚሩ ንዝርጋሐ ኮቪድ-19 ንምግታእ ን19 መዓልቲ ዝጸንሕ ኩሉ ሰብ ካብ ገዝኡ ከይወጽእ ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም ኣለዉ። ኣብታ ሃገር ክሳብ ሕጂ፡ 40 ሰባት በቲ ሕማም ተለኺፎም ከምዘለዉ ተፈሊጡ። እቲ መንግስቲ፡ ኣብዚ ጽንኩር ግዜ ነቶም ድኻታት ከምዝሕግዞም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ ነይሩ። እቲ ዕጽዋ፡ ነቶም ትሑት መነባብሮን ኣታውን ዘለዎም ሰባት ብጽኑዕ ጎዲእዎም ከምዘሎ ይግለጽ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ዝሓለፈ ሰኑይ ክልተ ሰባት ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ዘሕለፎ ውሰነ ምስ ፖሊስ እታ ሃገር ኣብ ዝገበርዎ ቈየቛ ብጥት ከምዝተሃርሙ ተገሊጹ። ፖሊስ ግን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ የለን።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/52038400"} {"headline":"ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ንተኸሳሲ ኲናት ኮንጎ ን30 ዓመት ክእሰር ፈሪዱ","content":"ዓለማዊ ቤት ፍረዲ ገበነኛታት ንሓደ መራሒ ዕጡቕ ጉጅለ ደሞክራስያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝነበረ ውልቀሰብ፡ ብገበን ኲናትን ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበነኛ ኮይኑ ስለዝረኸቦ ን30 ዓመት ማእሰርቲ ፈሪዱዎ። በሽም 'ተርሚነተር' ዝፍለጥ ነበር መራሒ እቶም ተቓወምቲ ቦስኮ ንታጋንዳ፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ቅትለት፣ ጾታዊ ጊላነትን፡ ህጻናት ንውትህድርና ምምልማልን ሓዊሱ ብ18 ክሲታት ቀሪቡሉ። እሙናት ወታሃደራት ንታጋንዳ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጨፍጫፍ ከምዘካየዱ ዳያኑ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ኣረጋጊጾም እዮም። እቲ ብይን፡ እቲ ቤት ፍርዲ ክሳብ ሐዚ ካብ ዝሃቦም ፍርዲታት እቲ ዝነውሐ እዩ። ኣብቲ መጋባእያ ብወተሃደራት ንታጋንዳ ዝተፈጸሙ ገበናት ብዝርዝር ቀሪቦም። ሓደ ካብቶም ዘስካሕክሑ ገበናት ድማ፡ ዛንታ ሓንቲ ጾታዊ ዓመጽ ዝተፈጸማ፡ ንብዙሕ ዓመታት ተደጋጋሚ መጥባሕቲ ዝካየደትን ብዝሓደራ ፍርሒ ናብ ቤት ትምህርቲ ክትከይድ ዘይረከኣለትን ጓል 13 ዓመት ህጻን ቀሪቡ። ንታጋንዳ ብጾታዊ ጊላነት ዝተፈረዶ ፈላማይ ሰብ እንትኾን፡ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ 2002 ካብ ዝኽፈት ንማእሰርቲ ካብ ዝፈረዶም እዚ ራባዓይ'ዩ። እቲ ወዲ 46 ዓመት ገበነኛ፡ ኣብ ሩዋንዳ ዝተወለደ ኮይኑ ኣብ ሩዋንዳን ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ኣብ ዝተኻየዱ ሓያሎ ጎንጺታት ተሳቲፉ እዩ። ንሱ ኣብ 2013 ኣብ ሩዋንረዳ ንዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ እዩ ኢዱ ሂቡ። ንታጋንዳ ኣብ ጉጅለ ዓመጽቲ ኤም23 ዝነበሮ ስልጣን መሪሕነት ምስ ሰኣነ፡ ክበጽሖ ካብ ዝኽእል ሓደጋ ንምትራፍ ኢዱ ከምዝሃበ ይንገር። ነቲ ዝተውሃቦ ብይን ይግባይ ሓቲቱ ከምዘሎ 'ውን ተገሊጹ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50335127"} {"headline":"ስደተኛታት፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 117 ሰባት ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ኣትዮም","content":"ኣብ ሊብያ ካብ ዘለዉ ስደተኛታት፡ እቶም ሳልሳይ ገጽ ናብ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ናብ ርዋንዳ ኣትዮም። እዞም ሎሚ ወጋሕታ ናብ ርዋንዳ ዝኣተዉ ቁጽሮም 117 ምዃኑ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ። እዞም 117 ስደተኛታት ምስቶም ኣብ ወርሒ መስከረምን ጥቅምትን ካብ መዳጎኒ ስደተኛታት ሊብያ ናብ ርዋንዳ ዝኣተዉ 189 ስደተኛታት ንምጥርናፍ ካብ ከተማ ኪጋሊ ንሸነኽ ምብራቕ ናብ ዝርከብ ጎሾራ ዝብሃል ቦታ ኣትዮም ኣለዉ። መንግስቲ ርዋንዳ ኣብ ወርሒ መስከረም ካብቶም ኣብ ሊብያ ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት፡ 500 ኣብ ሃገሩ ክቕበል ከምዝተሰማመዐ ዝዝከር እዩ። ካብዞም ሎሚ ንጉሆ ናብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኪጋሊ ዝኣተዉ ስደተኛታት እቶም ዝበዝሑ ኤርትራውያንን ሶማልያውያንን ምዃኖም ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ ኣሎ። ኣውሮጳዊ ሕብረት ብወገኑ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኣውሮጳ ንኸይኣትዉ ንሃገረ ኒጀር ካብዞም ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ልዕሊ 4000 ስደተኛታት ንገሊኦም ክትቅበል ሚልዮናት ዶላራት ከምዝኸፈላ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሰብ መዚ ርዋንዳ ግን ምስ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝኣተዉዋ ስምምዕን ነዞም ስደተኛታት ንምቕባል ዝተለገሰሎም ፋይናንሳያዊ ሓገዝ ከምዘየለ እዮም ዝሕብሩ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50548273"} {"headline":"ዙር ርዋንዳ 2020፡ ቢንያም ግርማይ ቢጫ ማልያ ተረኪቡ","content":"ሎሚ ኣብ ዝተካየደ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2020 ካልኣይ ኮይኑ ዝኣተወ ቢንያም ግርማይ ብውህሉል ነጥቢ ቀዳማይ ብምዃን ብጫ ማልያ ተረኪቡ። ካብ ሁየ ናብ ሩሲዚ ኣብ ዝተኻየደ 142 ኪሜ ዝሸፈነ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ፡ ኮሎምብያዊ ተቐዳዳሚ ጋንታ ኣንድሮኒ ጅዮካቶሊ ጆናታን ሬስትሬፖ ተዓዊቱ። ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ ጋንታ ኒፖ ደልኮ ቢንያም ግርማይ ሓንቲ ካልኢት ድሒሩ ካልኣይ፤ ተቐዳዳማይ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሄኖክ ሙሉብርሃን ሳልሳይ ኮይኖም ዛዚሞም። በዚ ድማ ቢንያም ግርማይ ብውሕሉል ነጥቢ ብጫ ማልያ ካብ የቭጌኒ ፌደሮቭ ተረኪቡ ኣሎ። ብዘይካ'ዚ ወዲ 19 ዓመት ቢንያም ግርማይ ንብሉጽ መንእሰይ ዝወሃብ ማልያ'ውን ከወስድ ከሎ፤ ሄኖክ ሙሉብርሃንን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ካልኣይን ሳልሳይን ኮይኖም ይስዕብዎ ኣለው። ኣብዚ ናይ ሎሚ ውድድር፡ ተቐዳዳሚ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናትናኤል ተስፋጽዮን ራብዓይ፡ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ተቐዳዳሚ ጋንታ እስራኤል ስታርትኣፕ ዓወት ዓንደመስቀል ታሽዓይ፡ ዳዊት የማነ [ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ] ዓስራይ፡ ብምእታዎም ምስ ቀዳሞት ዓሰርተ ተሰሪዖም። ኣብ ናይ ትማሊ ሰኑይ ውድድር ካልኣይ መድረኽ ዝተዓወተ ኢትዮጵያዊ ተቐዳዳሚ ጋንታ ኒፖ ድልኮ ክንፈ ሃይለሚካኤል 52 ካልኢት ድሒሩ መበል 12 ኮይኑ ዛዚሙ። ተዓዋቲ ሳልሳይ መድረኽ ጆናታን ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ውድድር ካልኣይ ኮይኑ እዩ ዛዚሙ ነይሩ። በዚ መሰረት ብሓፈሻዊ ነጥቢ ሄኖክ ሙሉብርሃን [ካልኣይ] ናትናኤል ተስፋጽዮን [ራብዓይ] ኤርትራዊ ሽወደናዊ ዓወት ዓንደመስቀል ሻብዓይ፡ ዳዊት የማነ [ዓስራይ] ደረጃ ብምሓዞም፤ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሰለስተ ተቐዳዳምቲ ኣብ ብሉጻት ዓሰርተ ክተእትው ክኢላ ኣላ። ብደረጃ ጋንታ ኤርትራ ብ28 ሰዓት 50 ደቓይቕን 18 ካልኢትን ቀዳመይቲ፡ ኒፖ ደልኮ ፕሮቪንስ 18 ካልኢት ድሒራ ካልኣይቲ፡ ኣንድሮኒ ጅዮካቶሊ ድማ 34 ካልኢት ድሒራ ሳልሰይቲ ክኾና እንከለዋ፤ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ታሽዓይ ተርታ ሒዛ ኣላ። ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ ጋንታ ቲኤስጂ ሳይከሊን መትከል ኢዮብ ብሰንኪ ሰዓል ኣብ ናይ ሎሚ ውድድር ክሳተፍ ከም ዘይከኣለ ኣብ ትዊተር ሓቢሩ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/51626418"} {"headline":"ሩዋንዳ፡ ዕጸ-ፋርስ ምፍራይን ምልኣኽን ክትጅምር እያ","content":"ሩዋንዳ፡ ንኣገልግሎት ሕክምና ዝውዕል ዕጸ-ፋርስ (ካናቢስ) ክተፍርን ናብ ወጻኢ ክትልእኽን ከም ዝፈቐደት ሰብ መዚ ገሊጾም። እዚ ድማ፡ ኣታዊኣ ክብ ንምባል ዝዓለመ ከም ዝኾነ ተገሊጹ’ሎ። እታ ሃገር፡ ብሰኑይ ኣኼባ ካቢኔ ዘካየደት ኮይና “መምርሒ ኣብ ምፍራይ፡ ምድላውን ምልኣኽን ልዑል ዋጋ ዘለዎም መድሓኒታዊ ዕጻት ኣብ ሩዋንዳ” ዝብል ሰነድ ጸዲቑ ኣሎ። ሚኒስተር ጥዕና ናይ’ታ ሃገር፡ ዳኒኤል ኒጃሚጄ፡ ብሰሉስ ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ክዛረብ እንተሎ፡ ካብቶም ኣብ ሩዋንዳ ክፈርዩ ምዃኖም ዝተገለጸ መድሓኒታዊ ዕጻት፡ ዕጸ ፋርስ (ካናቢስ) ሓደ ምዃኑ ገሊጹ። ሩዋንዳ “ናብ ማእከል መጽናዕትታትን፡ ፋብሪካ ኣፋውስን፡ ጥረ ኣቑሑ ብምቕራብ፡ ገንዘብ ክትረክብ” ድልየት ከም ዘለዋ ድማ ተዛሪቡ። ኣብ ሩዋንዳ፡ ብፍሉይ ፍቓድ ዝተውሃቦም ኣፍረይቲ እዮም ኣብ'ቲ ናይ ዕጸ-ፋርስ ንግዲ ክሳተፉ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ግን፡ ዕጸ-ፋርስ ምጥቃም ክልኩል ኮይኑ ከምዝቕጽል እዩ ተገሊጹ። ፍቓድ ዘይብልካ ‘ካናቢስ’ ምፍራይን ምሻጥን ከቢድ መቕጻዕቲ ዘስዕብ ኮይኑ፡ ክሳብ ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ክበጽሕ ይኽእል። ዕጸ-ፋርስ ምጥቃም ድማ፡ እንተበዝሐ ክሳብ ክልተ ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ የቕጽዕ። ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ባንኪ ባርክሌይስ ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ጠቕላላ ዋጋ ዓለማዊ ንግዲ ዕጸ-ፋርስ፡ ክሳብ 150 ቢልዮን ዶላር ይበጽሕ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54535785"} {"headline":"ስደተኛታት ብሊብያ ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳ ካብ ምኻድ ክቑጠቡ ኖርወጃዊ ሚኒስተር ተማሕጺኑ","content":"ሚኒስተር ጉዳይ ስደተኛታት ኖርወይ ጆራን ካልሚር ስደተኛታት ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ዑቕባ ንምርካብ ብሊብያ ኣቢሎም ካብ ምስጋር ክቑጠቡ ተማሕጺኑ። ንሱ ትማሊ ናብ መዓስከራት እቶም ካብ ሊብያ ናብ ሩዋንዳ ዝተሰጋገሩ ስደተኛታት ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ፡ ሃገሩ 600 ስደተኛታት ክትቅበል ምዃናን ካብኣቶም እቶም ኣብ ሊብያ ኣብ ሓደጋ ዝርከቡን ናብ ሩዋንዳ ዝተሰጋገሩን ከም ዝርከብዎም ኣረጋጊጹ። ሚኒስተር ጉዳይ ስደተኛታት ኖርወይ ጆራን ካልሚር፡ ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ዝተሰጋገሩ ስደተኛታት፡ መሰትኦም (መሓዝቶም) ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ መንበሪ ንምርካብ ብሊቢያ ንከይጓዓዙ ክምሕፀንዎም ፀዊዑ። እቲ ትማሊ ኣብ ምብራቓዊ ሩዋንዳ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ምብፃሕ ዘካየደ ሚኒስተር ጆራን፡ ኖርወይ ካብቶም ኣብ ማእኸል ስደተኛታት ሊቢያ ኣብ ዘፀገም ጥሒሎም ዝርከቡ ስደተኛታትን ናብ ሩዋንዳ ካብ ዝገዓዙን፡ ብሓፈሻ 600 ስደተኛታት ከምትወስድ ገሊፁ። ሩዋንዳ ካብ ሊብያ 500 ስደተኛታት ክትቅበልን፡ ነቶም ኣብኡ ክነብሩ ዝደልዩ ድማ መንበሪ ፍቓድ ክትህብን ተሰማሚዓ። እቶም 299 ስደተኛታት ዋላ እኳ ናብታ ሃገር እንተኣተዉ፡ ዋላ ሓደ ስደተኛ ግና ኣብታ ሃገር ክነብር ኣይተርኣየን። መብዛሕትኦም ስደተኛታት ካብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝመፅኡ እዮም። ሓደ ወዲ 19 ዓመት ኤርትራዊ፡ \"ኣብ ሩዋንዳ ክፀንሕ ኣይደልን፡ ህይወተይ ከውሕሰላን ዝተሳቐየ ሓንጎሎይ ከሕውየላን ዝኽእል ሃገር እየ ዝደልይ\" ኢሉ ኣብ ሩዋንዳ ንዝርከብ ሪፖርተርና። ቅድም ክብል ሰብ-መዚ እታ ሃገር፡ ሩዋንዳ ነዞም ስደተኛታት ብሓልዮት ከምዝተቐበለቶም፡ ገሊፆም ነይሮም። ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ሃገራት ኣውሮጳን ካናዳን ከምዝግዕዙ ዜና ምስ ሰምዑ ኣመና ተሓጉሶም። ካብ ኖርወይ ብተወሳኺ፡ሃገራት ካናዳ 800፣ ፈረንሳይ 200፣ ስዊድን 150 ስደተኛታት ክወስዳ ተሰማሚዐን። ስዊድን ንክትወስደም ካእ ሞንጎ ዝተሰማምዐት እቶም ሸውዓተ ዝገዓዙ እንትኾና፡ ካልኦት 30 ድማ ንጉዕዞ ኣብ ምድላው ይርከቡ። ጆራን ካልሚር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኖርወይ ናይ ቁጠባ ስደተኛታት እንተይኮነስ ነቶም ሓቀኛ ስደተኛታት እያ ክትወስድ፤ ስለዝኾነ ድማ ምፅራይ ክትገብር እያ ኢሉ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51188218"} {"headline":"ሕቡራት ሃገራት፡ ንወሳኒት ከተማ ማእከላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃ ደጊሙ ተቖጻጺሩ","content":"ኣብ ማእከላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃ ወፊሩ ዝርከብ ሰራዊት ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ብሰሉስ ንወሳኒት ከተማ ባምባሪ ደጊሙ ከም ዝተቖጻጸረ ገሊጹ። ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራትን ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገርን ነቶም ዕጡቓት ናብቲ ጫካታት ከም ዝደፍእዎም ሓደ ኣፈኛ ተዛሪቡ። ካብቲ ውግእ ዝሃደሙ ሲቪል ክምለሱ ጀሚሮም ምህላዎም'ውን ገሊጹ። ማእከላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃ ንሰንበት ምርጫ ክተካይድ ኣብ ምድላው እያ ዘላ። ፕረዚደንት ነበር ፍራንስዋ ቦዚዝ ዕልዋ መንግስቲ ንምግባር ምስቶም ዕጡቓት ስምምዕ ከም ዝፈጸመ መንግስቲ ይኸስስ። እቲ ፕረዚደንተ ነበር ግና ነቲ ክሲ ይነጽጎ። እቶም ዕጡቓት ናብ ርእሰ ከተማ ባንጉይ ክደፍኡ ምስ ፈተኑ፡ ሩስያን ርዋንዳን ነቲ መንግስቲ ንምሕጋዝ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ሰዲደን ኣለዋ። ሩስያ፡ 300 ተወሰኽቲ ወተሃደራት ልኢኻ ሩስያ፡ ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ዘሎ ጸጥታዊ ቅልውላው ንምውሓስ ተወሰኽቲ 300 ወተሃደራት ከምዝለኣኸት ኣፍሊጣ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፡ መንግስቲ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዝመጽእ ሰንበት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከካይድ ኣብ ዝሸባሸበሉ እዋን፡ ብተቓወምቲ ሓልታት ኣብ ስግኣት ስለዝኣተወ ሓገዝና ሓቲቱ ክብል ተዛሪቡ። እቶም ተቓወምቲ ሓልታት ንርእሰከተማ እታ ሃገር ንምቁጽጻር ይግስግሱ ከምዝነበሩን፡ ኣብዚ እዋን ግን ዓቐብቲ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ጠጠው ኣቢሎሞ ከምዘለው ተገሊጹ። መንግስቲ ሩስያ፡ ኣብ ግጭት ማእላይ ኣፍሪቃ ኢድ ከምዘይብሉን፡ እቶም ዝለኣኾም ወተሃደራዊ ኣማኸርቲ ከምዝኾኑን'ዩ ዝገልጽ። መንግስቲ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ግን፡ ሩስያ፡ ኣማኢት ወተሃደራትን ኣጽዋራትን ልኢኻ ከምዘላ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣነጺሩ። ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ሩስያውያን ተኾናተርቲ ኣብ ጸጥታን ጸጋታት መንግስትን ኣብ ምሕላው ተዋፊሮም ከምዘለው ይግለጽ። መንግስቲ ሩዋንዳ'ውን ተወሳኽቲ ዓቐብቲ ሰላም ሰራዊት ናብታ ሃገር ከምዝለኣኸ ኣፍሊጡ'ሎ። ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ብውሑዱ 750 ሰራዊት ሩዋንዳ ኣብ ትሕቲ ጽላል ዓቓብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ኮይኖም ይሰርሑ ከምዝነበሩ ይግለጽ። ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ፎስቲን ተውዶረ፡ ሰራዊት ዓቓብ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ተዋፊሮም ከምዘለው ብምግላጽ፡ እቲ ኣብ ሰንበት ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብዘይፍርሒ ከምዝካየድ ኣፍሊጡ። ቦዚዝ ዝርከብዎም ተቓወምቲ ሰልፍታት ግን፡ እቲ ምርጫ ናብ ካልእ እዋን ክሰጋገር ጠሊቦም ኣለው። ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ከም ኣልማዝን ዩራንየምን ዝኣመሰሉ ክቡራት ማዕድናት ዝበልጸገት ሃገር እንተኾነት’ኳ፡ ካብተን ኣዝየን ድኻታትን ዘይተረጋገኣን ሃገራት ዓለም ሓንቲ እያ። ወድብ ሕቡራት መንግስታት ከምዝብሎ፡ ፍርቂ ናይቲ ሕብረተሰብ ሰብኣዊ ረድኤት ዝጽበ እዩ። ሓሙሽተ ሲሶ ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ካብ መንበሪኡ ተመዛቢሉ ይርከብ። ወዲ 74 ዓመት ቦዚዝ፡ ንሽደሽተ ዓመታት ኣብ ቤኒን፣ ካሜሮንን ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2019 እዩ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ። ኣብቲ 27 ታሕሳስ ዝካየድ ምርጫ፡ ክወዳደር ምዃኑ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣፍሊጡ። ቦዚዝ፡ ሰፊሕ ማሕበረሰባውን ወተሃደራውን ድጋፍ ከምዘለዎ እዩ ዝእመን። እንተኾነ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት እገዳ ዝተነብሮ ኮይኑ፡ ብገበን -ኣንጻር ሰብኣዊነትን ምጽናት ዓሌትን ዝድለ እዩ። ቅዋመዊ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ድማ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከይሳተፍ ኣጊድዎ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55408024"} {"headline":"ግዳያት ጨፍጫፍ ሩዋንዳ፡ 'ኣቦይ፡ እቲ ዓማጺ'","content":"ወዲ 24 ዓመት ሩዋንዳዊ፡ ኣብ እዋን ጀምላዊ ጨፍጫፍ ሩዋንዳ ኣዲኡ ተዓሚጻ ከመይ ከም ዝወለደቶ ንቢቢሲ ኣካፊሉዎ ኣሎ። ክልቲኦም፡ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ብምኻኖም ክበጽሖም ካብ ዝኽእል ማሕበራዊ 'ሕፍረት' ንምክልኻል ሽሞም ተቐይሩ'ዩ። ጂን-ፔሪ፡ ተምሃራይ ቀዳማይ ብርኪ እናሃለወ ዝቐረበሉ ዝምላእ ቅጥዒ'ዩ፡ ወላዲ ኣቡኡ መን ምኻኑ ንክፈልጥ ኣበጊሱዎ። \"ኣይፈልጦን፤ ሽሙ'ውን መን ምዃኑ ኣይፈልጥን\" ኢሉ። ኣብ ገዛኻ፡ ኣቦ ዘይምህላው ሓድሽ ኣይኮነን። ብዘይ ወላዲ ዝተረፉ ብዙሓት ህጻናት ኣለው። ኣብ ርዋንዳ ኣብ 1994 ኣብ ዝነበረ ጃምላዊ ጭፍጫፍ ልዕሊ 800 ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም'ዮም። ነበርቲ እቲ ዝነብርሉ ከባቢ ኣቡኡ መን ምዃኑ ክሓምዩ ሰሚዑ'ዩ፤ ግን ድማ ነቲ ሓቂ ንምፍላጥ ዓመታት ክወስደሉ'ዩ። ኣዲኡ ካሪን ከም እትብሎ \"ብሓደ ግዜ እትወስዶ ቀሊል ነገር ኣይኮነን፡ ብዙሕ ነገር ሰሚዑ'ዩ። ከም ዝተዓመጽኩ ኩሉ ማሕበረሰብ ይፈልጥ'ዩ፡ ዋላ ሓደ ነገር ግን ክገብር ኣይክኣልኩን\"። ካሪን፡ \"ወደይ ኣቡኡ መን ምዃኑ ብተደጋጋሚ ይሓተኒ ነይሩ። ግን ካብ ሞንጎ እቶም 100 ዝዓመጹኒ ሰብኡት ሓደ ክከውን ስለ ዝክእል፡ እገለ'ዩ ኢለ ክነግሮ ኣይኽኣልኩን\" ትብል። 'ከምልጥ ኣይክኣልኩን' ኣብ እዋን 100 መዓልታት ጅምላዊ ጨፍጫፍ ሩዋንዳ፡ ብምኽንያት ጾታዊ ዓመጽ ቑጽሪ ዝተወለዱ ህጻናት ብወግዒ ኣይፍለጡን። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ጎንጺ ስዒቦም ዝመጽኡ ጾታዊ ጥቕዓታት ንከብቅዑ ጻዕሪ ገይሩ'ዩ፤ ዝሓለፈ ዓመት ጾታዊ ዓመጽ ካብ ሶርያ ክሳብ ኮሎምቢያ፣ ካብ ዲሞክራሲያዊት ኮንጎ ክሳብ ሚያንማር መገዲ ውግእን ኲናትን ኮይኑ'ዩ። ውጻእ እዚ መዓት ዝኾኑ ሰባት፡ #EndRapeinWar ዝብል ናይ ጎስጓስ መገዲ ገይሮም፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ታሪኾም የውጽኡ ኣለው። እዚ እቲ ውድብ'ውን ትኹረት ክገብረሉ ዝዓለመ'ዩ። ኮይኑ ግን፡ ድሕሪ ርብዒ ዘመን'ውን እንተኾነ፡ ብዛዕባ ፍጻሜታት ምዝራብ ቀሊል ኣይክኸውንን። ታሪኽ ካሪን ምስማዕ፡ ስለ ምንታይ ወዳ እቲ ሓቂ ንምስማዕ ክሳብ ልቢ ዝገዝእን ዝዓብን ተጸብያ ግሁድ'ዩ። ጾታዊ ዓመጽ ክበጽሓ እንከሎ፡ ኣብናቱ ዕድመ ነይራ። ንሳ፡ ብጎረቤት ዓሌት ቱቲስ ዝኾኑ ሁቱ፣ ሚሊሻን ወተሃደራትን ተደጋጋሚ ጾታዊ ዓመጽ ካብ ሞንጎ ዝበጽሐን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ'ያ። እቲ ጀምላዊ ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ምስተጀመረ ኣብ ገጻ ብዝበጽሓ ማህረምቲ እናደመየት ሓሊፋቶ፤ ክሳብ ሕጂ ድማ ምብላዕ ኮነ ምዝራብ ኣይትኽእልን። ዘጥቅዑዋ ዝነበሩ ሰባት፡ ሬሳ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ዝተቐተሉ ሰብኡት፣ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኣምጺኦም ናብ ዝድርብዩሉ ዝነበረ ቦታ ኣምጺኦምዋ ነይሮም፤ ንሳ ግን፡ ኣብ ክሊ እቲ ዝበጽሓ ጉድኣትን ዘሕደረላ በሰላን ኮይና ክትመውት ኣይደለየትን። ዋላ'ውን፡ እቶም ዝዕምጹዋ ዝነበሩ ወተሃደራት፡ ድላዮም ምስ ፈጸሙ ድሕሪ ሰዓታት ብበትርን ካልእን መሊሶም እናሃረሙ ክትሓስቦ'ውን ዝኸብድ ጉድኣት እንተበጽሑላ፡ ካሮሊ ግን ክትመውት ኣይከኣለትን ። ጸኒሑ ግን፡ ካልኦት ጉጅለ እንተጥቅዑዋ፣ መላእ ሰብነታ ብማህረምቲ እንተሳቕዩዎ፡ ድሕሪ ሕጅስ ምንባር'ውን ኣየድልየንን ኢላ። \"ኣብ ቀረባ ሞት ተመንየ፤ ብዙሕ ግዜ ክመውት ደልየ\"። መክርኣ ዘእክል ኣይመስልን። ህይወታ ንምድሓን ዝጓየይ ዝነበረ ብሚሊሻ ሁቱ ዝመሓደር ሆስፒታል ነበረ። \"ከምልጥ ኣይክእልን። ኩሉ ነገር ኣእኺሉ ስለ ዝነበረ ክኸይድ ኣይክእል\" ኢላ። \"ምሳይ ጾታዊ ርክብ ክፍጽም ዝደለ ኩሉ፡ ድላዩ ክገብር ይኽእል። ክሸኑ እንተደልየም'ውን ኣብ ዝባነይ መጺኦም ክገብሩዎ ይኽእሉ\"። እቲ ሆስፒታል፡ ብግንባር ሓርበኛታት ሩዋንዳ ሓራ ምስ ወጽአ'ያ ካሪን እቲ ዘድልያ ሕክምናዊ ረድኤት ዝረኸበት። ደኺማ፣ ተሰይራ፣ እናደመየት ግን ድማ ብህይወታ ናብ ከባቢኣ ክትምለስ ድማ ፍቓድ ረኺባ። እቶም ሓካይም ድቂ ከም ዝቛጸረት ምስ ፈለጡ ግን፡ ሰንቢዶም። \"እንታይ ክገብር ከም ዝኽእል ይሓትት ነይረ፤ እንታይ ክፍጠር ከም ዝኽእል ክሓስቦ ኣይክኣልኩን\"። \"እቲ ቖልዓ ምስተወለደ፡ ክርድኣኒ ኣይክኣለን። እቲ ህጻን ካባይ'ዩ ወጺኡ ኢሉ ክኣምን ኣይክኣልኩን። ብዛዕባ እቲ ዝተፈጠረ ነገራት'የ ዝሓስብ ነይረ። ምስ ወለድኹ፡ ፍቕሪ ዘይብለይ እቲ ቖልዓ ክነብር ፈቒደሉ'የ\"። 'ተነጽሎ ቆልዑ' እዚ ታሪኽ፤ ወይ ሽራፍ እዚ ታሪኽ፡ ኣብ ሩዋንዳ ንዝሓለፉ 25 ዓመታት ሚኢቲ ግዜ ተዘሪቡ'ዩ። \"ጾታዊ ዓመጽ ኣጸያፊ'ዩ። ዝበዝሐ ግዜ በዚ ተግባር ዝሓፍር እቲ ሰብኣይ ዘይኮነ፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ'ያ\" ይብል ሓላፊ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ንዝኾና ኣደታትን ደቀንን ስነ ልቦናውን ትምህርታውን ሓገዝ ናይ ዝህብ ፕሮግራም ሩዋንዳ ዝኾነ ሳም ሙንደሬሬ። እተን ግዳያት እቲ ማሕበረሰብ ስለ ዘግልለን፡ ኣዴታት ደቀን የርሕቕኦም። ንገሊአን ድማ፡ ዝመስረትኦ ሓዳር የፍርሰለን። በዚ ምኽንያት ዘኽእለን ዝረኸባ ደቂ ኣንስትዮ፡ ምስጢረን ሓቢአን ይነብራ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ከም ጂን-ፒሬ ዝበሉ፡ ክመልኡዎ ዝግባእ ቅጥዒ እንትመጽኦም ይደናገሩ። \"ሕጂ ኣዴታት ደቀን ድሕሪ'ቲ ጀምላዊ ጨፍጫፍ ከመይ ከም ዝተወለዱ ክዛረባ ኣለወን። ብቐሊሉ፤ ኣቦኻ ኣብቲ እዋን ተቐቲሉ ምባል'ዩ። ቆልዑ እንትዓብዩ ግን ብዙሕ ሕቶ'ዮም ዝሓቱ። እታ አደ ድማ እቲ ሓቂ ክትዛረብ ትግደድ\" ኢሉ ሳም። ንዝሓለፉ ዓመታት፡ ፋውንዴሽን ሩዋንዳ፡ ኣዴታት ዝሓለፍኦ ታሪኽ ዝዛረባሉ መገዲ ክምህር መጺኡ፤ ኮይኑ ግን በሰላ'ውን ከሕድር ከም ዝኽእል ሳም ኣይሓብአን። \"ጉድኣቱ ኣብ ነዊሕ እዋን ዝመጽእ ክኸውን ይኸእል። ካብ ውሉድ ወለዶ'ውን ክሓልፍ ይኽእል\" እዩ ዝብል፡ ሓንቲ ንእስቲ ካብ ሓድሽ በዓልቤታ ሓቢኣቶ ንእትነብር ሕሉፍ ታሪኻ እናሓሰበ። ንሳ፡ ሰብኣየይ ጉደይ እንተፈሊጡ ሓዳረይ ክፈርስ'ዩ ኢላ እያ ትሓስብ። ካብዚ ብምብጋስ፤ ሓንቲ ኣደ ጓላ ብዘርኣየቶ ዘይግቡእ ባህሪ ስለ ዝቐጽዐታ \"እቲ ዝተወለደትሉ ኩነታት ዝፈጠሮ'ዩ\" ኢላ ኣሚና'ያ። ከም ካሪን ዝበላ ብዙሓት ኣደታት ድማ፡ ዝሓለፈ ኩሉ ክሳብ ሕጂ ስለ ዝዝክርኦ ምስ ደቀን እዚ'ዩ ኢለን ክገልጽኦ ዝኽእላ ስምዒትን ቅርበትን የብለንን። ኣብ መወዳእታ ግን፡ ካሪን ጂን-ፔሪ ከመይ ከም ዝጠነሰቶ ወዲ 19 ወይ 20 ዓመት ምስ ኮነ ነጊራቶ'ያ። ተቐቢሉዎ። ክሳብ ሕጂ ግን፡ ኣቦ ክህልወሉ ናይ ዝግብኦ ሃጓፍ ኣብ ህይቱ ኣሎ። እቲ ዝገርም፡ ነቲ ኣዲኡ ዝዓመጻ ሰብኣይ ጽልኣት የብሉን። ካሪን ድማ ይቕረ ክትብሎ ወሲና። \"ብኡኡ ሓሪቐ ኣይፈልጥን። ሓልሓሊፉ ብዛዕብኡ ይሓስብ'የ፤ ኣብ ህይወተይ ጸገማት ከጓንፉኒ ከለው ዝሕግዘኒ ኣቦ ኣብ ቀረባይ ክህሉ ዝብህገሉ እዋን ኣሎ\" ይብል ወዳ ጂን-ፒሬ። መካኒክ ኮይኑ ናይ ባዕሉ ስድራ ክምስርት ሓሳብ ኣለዎ። ካሪን ስነልቦናዊ ሓገዝ ምስረኸበት፡ ምስ ወዳ ዘለዋ ምትእስሳር ክቕየር ይሕግዛ ኣሎ። \"ሕጂ ወደይ ከም ዝኸነ ይስምዓኒ\"። ክልቲኦም ዘለዎም ቅርበት፡ ኣብታ ብዝረኸቡዋ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝዓደጉዋ ገዛ ኮይኖም፡ ብሓባር ኣማዕዲዮም ንማዕዱኦም ዘሎ ሓምለዋይ ጎቦ ይዕዘቡ። ኣብቲ ምስ መሳቱኣ እናጎየየት ዝዓበይሉ ገጠር ከባቢ ኮይና ወዳ ተዕቢ ኣላ፤ ነገራት ምህዳእ ስለ ዝጀመሩ ድማ፡ እቲ ማሕበረሰብ ከም ዝተቐበሎም ምሕሳብ ጀሚሮም ኣለው። \"ምስ በሰላታተይ ነዊሕ ግዜ ከም ዝነበርኹ ስለዝፈልጡ፡ ሕጂ ሕጉስቲ'የ፡ ኢላ ካሪን። ጂን-ፔሪ፡ ኣዲኡ ንዝሓለፈቶ ኹሉ ሓሲቡ ብኣኣ ይኾርዕ'ዩ። \"እዚ ምርኣይ ከቢድ'ኳ እንተኾነ ሕጉስ'የ\" ኢሉ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48687083"} {"headline":"ጥርጡር ገበን ምጽናት ዓሌት ርዋንዳ፡ ድሕሪ 26 ዓመታት ኣብ ፈረንሳይ ተታሒዙ","content":"ፌሊሲዬን ካቡጋ፡ ኣብ ሩዋንዳ ብዝተፈጸመ ገበን ምጽናት ዓሌት ኣዐርዩ ክደለ ዝጸንሐ ውልቀ ሰብ እዩ። እዚ ብገበን ምጽናት ዓሌት ዝጥርጠር ሰብ፡ ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ [ፈረንሳ] ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ሚኒስተር ፍትሒ ፈረንሳይ ኣፍሊጡ። ካቡጋ፡ ኣብ ፈረንሳይ አዝኒዬር ሱር ሴን ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ፡ መንነቱ ቐይሩ ክነብር ጸኒሑ። ዓለምለኻዊ መጋባእያ ሩዋንዳ ነዚ ወዲ 84 ውልቀሰብ፡ ብገበን ምጽናት ዓሌት [ዘርኢ ምጥፋእ]ን ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ስቅያት ጸጺሙ ብዝብል ክእልሾ ጸኒሑ። ካቡጋ፡ ኣብ 1994 ዳርጋ ሓደ ሚልዮን ዝጽጋዑ ተወለድቲ ቱትሲ ንዝጨፍጨፉ ኣኽረርቲ ዓሌት ሁቱ ብገንዘብ ሓጊዙ ተባሂሉ እዩ ዝጥርጠር። ዓመጽቲ ሁቱ፡ ኣብቲ እዋን ብቑጽሪ ውሑዳት ንዝኾነ ዓሌት ቱትሲን ፖለቲካዊ መራሕቶምን ከጥፍኡ እዮም ተንቀሳቒሶም። ኣመሪካ፡ ነዚ ሰብ ኣብ ዘለዎ ንዝጠቆመ 5 ሚልዮን ዶላር ከምእትኸፍል ቃል ኣትያ ነይራ። ኣብ ሄግ ነቲ ዋኒን ዝከታተል ዓቃቢ ሕጊ፡ ፈረንሳይ ነዚ ጥርጡር ክትረኽቦ ዝኸኣለት ድሕሪ ብዙሕ ኣለሻን ሕቡእ ወፍሪን ከምዝኾነ ገሊጹ። ዋና ዓቃቢ ሕጊ ሰርጌይ ብራሜርትዝ፡ \"ናይ ፌሊሲዬን ካቡጋ ኣብ ቀይዲ ምውዓል፡ ብገበን ምጽናት ዓሌት ዝተጠርጠሩ ኩሎም ድሕሪ 26 ዓመታት'ውን ከምዘየምልጡ መርአያ እዩ\" ኢሉ። እቲ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ወሲኹ'ውን፡ ሃገራት ዝተሓባበራ እንተኾይነን፡ ገበን ዝፍጽም ዝኾነ ውልቀ ሰብ መሕብኢ ከምዘይብሉ ዘርእይ እዩ ኢሉ። ሩዋንዳ፣ ብሪጣንያ፣ ጀርመንን ኣመሪካን ኣብቲ ዋኒን ተሓባቢረን ከምዝሰርሓ 'ውን ተዛሪቡ። ካቡጋ፡ ብሸውዓተ ዓይነት ገበናት ከምዝድለ ንፈለማ እዋን ዝተገልጸ ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ፡ ብ1997 እዩ። እቲ ገበን ንክፍጸም ኣብቲ እዋን ንዝነበረ ጊዝያዊ መንግስቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ገይሩ ተባሂሉ ናይ ዝኽሰስ ትካል መስራቲ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ እቲ ውልቀሰብ፡ ነቲ ምጽናት ዓሌት ኣጎሃሂሩን ነቲ ገበን ዝፈጸሙ ሓይልታት ብረት ኣዕጢቑን ተባሂሉ እዩ ዝሕመ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52696363"} {"headline":"ዙር ርዋንዳ - 4ይ መድረኽ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ብጫ ማልያ ወኒኑዋ","content":"ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ራብዓይ መድርክ ዙር ርዋንዳ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ነቲ ካብ ከተማ ሩሱዚ ናብ ሩባቩ 206.3 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ኣብዚ ውድድር ዝነወሐ መድርኽ ንውድድሩ ብ5 ሰዓት 34 ደቂቕን 46 ካልኢትን ብምዝዛም ቀዳምይ ኮይኑ ተዓዊቱ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ውድድር ደቡብ ኣፍሪቃዊ ተቀዳዳማይ ጋንታ ፕሮቴል ማይን ኬንት ካልኣይ ክውጽእ እንከሎ፡ ርዋንዳዊ ሞግሻ ሳልሳይ ብምዃን ውድድሩ ዛዚሙ። ናትናኤል፡ በዚ ሎሚ ዘመዝገቦ ዓወት ተሓጊዙ ብጫ ማልያ ካብ ኤርትራዊ ተቀዳዳማይ ጋንታ ኒፖዴልኮ ቢንያም ግርማይ ክቕበላ ክኢሉ ኣሎ። ናትናኤል ተስፋጽየን፡ መበል 23 ተቐዳዳማይ ኣብ ታሪኽ'ዚ ውድድር ብጫ ማልያ ዝለበሰ ክኸውን እንከሎ፡ ብዘይካ'ዚ ጻዕዳ ማልያ ናይ ትሕቲ ዕድመ'ውን ተረኪብዋ ኣሎ። ንሱ፡ ነቲ ኣብ ብጫ ማልያ ካልኣይ ኮይኑ ዝስዕቦ ዘሎ ርዋንዳዊ ሙጊሻ፡ ብ2 ደቂቕን 11 ካልኢትን ማሕዲግሉ ብምህላዉ፡ ብሕጂ ንዘሎ ፈኵስ ውድድራትን ሓይሊ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ኣብ ግምት ብምእታው ዕዉት ብጫ ማልያ እዚ ውድድር ከምዝኸውን ይግመት። ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ ዙር ጋቦን ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ፡ ኣብ መዛዘሚ ውድድር ብሓንቲ ካልኢት ተበሊጹ ዕዉት ብጫ ማልያ ካብ ምዃን ከምዝቦኾረ ዝዝከር እዩ። ሓሙሻይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2020 ጽባሕ ካብ ሩባቩ ናብ ማሶንዘ፡ ናይ 84.7 ኪሎ ሜተር ውድድር ክካየድ'ዩ። ቅድሚ ሕጂ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ መርሃዊ ቅዱስን ቢንያም ግርማይን ኣብዚ ውድድር ብጫ ማልያ ዝለበሱ ኤርትራወያን ኮይኖም፡ ናትናኤል ራብዓይ ኤርትራዊ ኣብዚ ውድድር ብጫ ማልያ ክለብስ ዝኸኣለ ተቀዳዳማይ ኮይኑ ተመዝጊቡ'ሎ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51647856"} {"headline":"ኖርወይ፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 600 ስደተኛታት ካብ ሩዋንዳ ክትወስድ እያ","content":"ኖርወይ፡ ካብ መዳጎኒታት ሊብያ ወጺኦም ኣብ ሩዋንዳ ንዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 600 ስደተኛታት ክትወስድ ምዃና ገሊጻ። ኒው ታይምስ ዝበሃል ጋዜጣ ሩዋንዳ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ጠቒሱ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ድሮ ሽወደን ሸውዓተ ስደተኛታት ወሲዳ ከምዘላን ኖርወይ ድማ 500 ክትወስድ ከምእተሰማመዐትን ገሊጹ ነይሩ። ሚኒስተር ፍትሒ ኖርወይ ንሮይተርስ ኣብ ዝለኣኾ መግለጺ ድማ፡ ኣብ 2020 ኖርወይ 600 ስደተኛታት ካብ ሩዋንዳ ክትወስድ ምዃና ኣፍሊጡ። \"ንሕና ንዘይሕጋውያን ኣስገርቲ ሰባት ኣይንድግፍን፤ የግዳስ ነቶም ሓለዋ ዝደልዩ ሰባት ብዝተወደበ መልክዑ ክንቅበል ኢና። እቲ ኣብ ሩዋንዳ ዘሎ መሰጋገሪ መዓስከር ድማ ነዚ ሓጋዚ እዩ\" ምባሉ ሮይተርስ ጠቒሱ። ሩዋንዳ፡ ምስ ትካል ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝገበረቶ ስምምዕ እያ ነቶም ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ተዳጉኖም ዝጸንሑ ስደተኛታት ተቐቢላ። እቶም ስደተኛታት ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ካብ ከተማ ኪጋሊ 55 ኪሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ጋሹራ ዘለዉ ኮይኖም፡ መብዛሕተኦም ኤርትራውያንን ሶማላውያንን እዮም።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51046481"} {"headline":"ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዝሞተ ዘማሪ ኣብ ኤውሮጳ ዑቑባ ክሓትት ድልየት ነይርዎ'","content":"ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞይቱ ዝተረኽበ ሩዋንዳዊ ዘማሪ፡ ንኤውሮጳ ኣትዩ ዕቑባ ክሓትት ድልየት ከም ዝነበሮ ሓደ ትካል ግብረ ሰናይ ንቢቢሲ ሓቢሩ። እቲ ትካል ከም ዝሓበሮ፡ ኪዚቶ ኣብ መስከረም 2019 ንርዋንዳ ራሕሪሑ ክወጽእ መገዲ የናዲ ከም ዝነበረን፡ ኣብ ኤውሮጳ ኣትዩ ዑቑባ ክሓትት ምዃኑ ከም ዝሓበሮም ኣፍሊጡ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ዘማራይ ፓስፖርት ከም ዘይነበሮን፡ ሰበ-ስልጣን ርዋንዳ ፓስፖርት ክህብዎ ድልየት ከም ዘይነበሮምን እቲ ትካል ወሲኹ ኣረዲኡ። \"ምሳና ርክብ ምስ ገበረ፡ ንሕና ምስ ዝምልከቶም ሰባት ተዘራሪብና፡ ኣብዚ እዋን ክወጽእ ሓደገኛ ምዃኑን ብመንግስቲ ጽዑቕ ምክትታል ይግበረሉ ከምዘሎን ብምሕባር ንኽጽበ ነጊርናዮ\" እቲ ዘማሪ፡ ኣብ ርዋንዳ ክሰርሕ ኣብዘይክእለሉ ብርኪ ስለዝበጽሐ እዩ ካብታ ሃገር ክወጽእ ደልዩ ኢሉ እቲ ትካል። \"ናቱ መዝሙራት ኣብ መንግስታውን ንመንግስቲ ኣብ ዝድግፉን ሚድያታት ከይቃላሕ ተኣጊዱ፡ ብሰንኪ ፍርሒ ድማ ዘስርሖ ካልእ ሰብ'ውን ክረክብ ኣይከኣለን\" ይብል እቲ ትካል። እዚ ኪዚቶ ሚሂጎ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዘማሪ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ እዩ ሞይቱ። ንሱ፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ሩዋንዳን ብሩንዲን ምስ ተኣሰረ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ እዩ ሞይቱ ተረኺቡ። ፖሊስ፡ እቲ ዘማሪ ብስግረ-ዶብ ካብታ ሃገር ሃዲሙ ኣንጻር ሩዋንዳ ምስ ዝዋግኡ ዘለዉ ዕጡቓት ጉጅለታት ክጽምበር ፈቲኑ ክብሉ እዮም ዝኸስዎ። ነቐፍቲ ናይቲ መንግስቲ ግን፡ እቲ ዘማሪ ግን ብምኽንያት ዝሰርሖም መዝሙራት እዩ ዒላማ ተገይሩ ይብሉ። እቲ ዘማሪ፡ ቅድም ክብል ብዝተበየነሉ ፍርዲ ካብታ ሃገር ከይወጽእ ተኸልኪሉ ምንባሩ ይግለጽ። ዝሓለፈ ሰሙን ፖሊስ እታ ሃገር ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ዘማሪ ኣብቲ ዝተኣሰረሉ ክፍሊ ነፍሰ-ቅትለት ከም ዝፈጸመ እዮም ዝገልጹ። እቲ ዘማሪ ኣብ 2015 ንፕረዚደንት ፖል ካጋሜ ክቐትልን ኣንጻር መንግስቲ ጽልኢ ከለዓዕልን ፈቲኑ ብዝብል ን10 ዓመት ንኽእሰር ተፈሪድዎ ነይሩ። ኣብ 2018 ድማ በቲ ፕረዚደንት ምሕረት ተዋሂብዎ፡ ግን ከኣ ካብ ዓዲ ክወጽእ እንተኾይኑ ብፍቓድ ቤት ፍርዲ ጥራይ ክኸውን ተበይንዎ። ኣብ ሓደ መዝሙሩ፡ ኣብቲ ናይ 1994 ጃምላዊ ህልቂት ሩዋንዳ ዝሞቱ ሰባት፡ ካብ ብሄር ሁቱ ኮኑ ቱትሲ ብዘየገድስ ኩሎም ክዝከሩ ይግባእ ይብል። እዚ ድማ ካብቲ ናይ ወግዓዊ ተረኽ ናይ መንግስቲ ዝፍለ ነይሩ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51748333"} {"headline":"ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ምስ ርዋንዳ ዘራኽባ ዶብ ዳግማይ ከፊታቶ","content":"ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ነቲ ቀንዲ ኣብ ከተማ ጎማ ዝርከበ ምስ ርዋንዳ ዘራኽባ ዶብ ዳግማይ ከም ዝኸፈተቶ ሰብ መዚ ከተማ ጎማ ሓቢሮም። እቲ ቀንዲ መራኸቢ መስመር ክልቲአን ሃገራት ዝኾነ ዶብ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ተዓጽዩ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ በቲ መስመር ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ጥራይ ክሓልፋ እዩ ክፍቀደን ጸኒሑ። ታሕተዎት ሰብ መዚ ምምሕዳራት ክልቲአን ሃገራት ብሰኑይ ድሕሪ ምርኻቦም፡ ነቶም ብሰንኪ ምዕጻው እቲ ዶብ ዝያዳ ዝተሃሰዩ ተማሃሮን ሰራሕተኛታት ንምሕጋዝ እቲ ዶብ ክፉት ክኸውን ኣብ ምርድዳእ ከም ዝበጽሑ ተሓቢሩ። ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ከተማ ጎማ ትርከቦ ዞባ ሰሜን ኪቩ፡ ካብ ኩለን ዞባታት እታ ሃገር ዝበዝሑ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ዝርከብዎ ዞባ ኮይኑ፡ ርእሰ ከተማ ኪንሳሻ እታ ቀንዲ ማእከል ለበዳ ኮሮናቫይረስ እታ ሃገር ምዃና እዩ ዝግለጽ። ፕረዚደንት ፍሌክስ ትሺሰከዲ ንዝበዝሑ ምስታ ሃገር ዘራኽቦ ዶባት ኣብ ወርሒ መጋቢት ክዕጾ ድሕሪ ምእዛዙ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዳግማይ ከፊቱዎ'ኳ እንተነበረ፡ እቲ ንከተማ ጎማ ናብ ከተማ ጊሰኒ ናይ ርዋንዳ ዘራኽብ ዶብ ግን ተዓጽዩ ክጸንሕ ወሲኑ ነይሩ። ብመሰረት ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝተረኸበ ሓበሬታ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝልዓለ ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ኣመዝጊባ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54807818"} {"headline":"ንደቂ ኣንስትዮ ዘናሹ ላግጺ ዝጸሓፈ ፋብሪካ ቢራ ሩዋንዳ ይቕሬታ ሓቲቱ","content":"ኣብ ሩዋንዳ ዝርከብ ሓደ ፋብሪካ ቢራ፡ ፍርያቱ ንምልላይ ኣብ ጠርሙዝ ናይቲ ቢራ፡ ጭርቃን (ዋዛ) እናጠቀዐ ምውዕዋዕ ይገብር። ኣብዚ ምውዕዋዕ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ዘናሹ ላግጺ ስለዝጸሓፈ ድማ፡ ከቢድ ወቐሳታት ዝበጽሖ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ፋብሪካ ወግዓዊ ይቕረታ ክሓትት ተገዲዱ። ኣብ ሓንቲ ጠርሙዝ ቢራ ዝተጻሕፈ ጭርቃን ''ሰበይቲ መዓስ እያ ሚልዮነር ትገብረካ?\" ኢሉ ይሓትት'ሞ እቲ መላሲ ድማ ''ቢልዮነር እንተኾንካ\" ክብል ይምልሰሉ። እዚ 'ስኮል' ዝተባህለ ቢራ፡ ነቲ ጭርቃን ዓርቢ መዓልቲ'ዩ ኣሕቲሙዎ። ምስተነቕፈ ከኣ ከምኡ ዓይነት ጭርቃን ከቋርጾ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ። ዓለማዊ መድረኽ ቁጠባ፡ ንርዋንዳ ብጾታዊ ማዕርነት ኣብ ሓምሻይ ደረጃ እዩ ዝሰርዓ። ኣካያዲ ስራሕ እቲ ኩባንያ፡ ንሓንቲ ኣብ ርዋንዳ እትሕተም ጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ኩባንያ ዓማዊሉ ንህይወቶም ኣኽቢዶም ንከይርእዩዎን ክዛነዩን ብምባል ከምዝጀመሮ ሓቢሩ ኣሎ። ይኹን እምበር እቲ ኩባንያ ከምኡ ዓይነት ዘይስነ-ምግባራዊ ስራሕ ብምስርሑ ብዙሕ ነቐፌታታት ገጢምዎ'ዩ። ገሊኦም ሰባት ንቢራ ስኮል ከም ዘይሰትይዎ ሓቢሮም ኣለው። ገሊኦም ድማ ኣብዚ ሃገር ከምዚ ዓይነት ክትርኢ ዘሰንብድ'ዩ ክብሉ ገሊጾሞ። ሚኒስተር ጾታ እታ ሃገር ብወገና፡ ንደቂ ኣንስትዮ ዘዋርድን ዘናሹን ስራሕ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ድሕሪ ምሕባር፡ ከምዚ ዓይነት ስራሕ ብሕጊ ዘቕጽዕ ክኸውን ኣለዎ ኢላ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49417542"} {"headline":"ኣብ ኣፍሪቃ ፈላሚ ፋብሪካ 'ስማርት ፎን' ኣብ ርዋንዳ ተተኺሉ","content":"ፕረዚደንት ርዋንዳ ፓል ካጋመ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ መጀመርታ ዝኾነ ፋብሪካ 'ስማርት ፎን' ኣብ ከተማ ኪጋሊ መሪቑ ከፊትዎ። እዚ 'ማራ ግሩፕ' ዝተብሃለ ኩባንያ ቴክኖሎጂ፡ ማራ ኤክስን፤ ማራ ዜድን ዝተባሃላ ሞባይላት ከምዘፍርን፡ 'ጉግል ኣንድሮይድ' ዝተብሃለ መተግበሪ ከምዝጥቀማን ተገሊጹ። እዘን ሞባይላት ኣስታት 190 ዶላር ( 5500 ብር ወይ 2800 ናቕፋ) ከምኡ'ውን 130 ዶላር ( 3700 ብር ወይ 1900 ናቅፋ) ክሽየጣ ተተሚነን ኣለዋ። ሓላፊ ማራ ግሩፕ ኣሺሻ ታካር፡ እዚ ፋብሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ዝትከል ዘሎ ቀዳማይ ምዃኑ ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ። ኣብ ዕዳጋታት ኣፍሪቃ ዘለዋ ሞባይላት መብዛሕትአን ካብ ቻይና ዝመጻ ኮይነን ብዝሓሰራ ዋጋ ይሽየጣ። እዘን ኣብ ርዋንዳ ዝፈርያ ሞባይላት እቲ ትካል ካብ ዝተመኖ ዋጋ ንታሕቲ ናብ ዕዳጋ ክወርዳ ከምዝኽእላ ይሕብር። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ግብጺ ኣልጀርያን ደቡብ ኣፍሪቃን፡ ካብ ቻይና ብዝመጽእ መቀያየሪ ኣቑሑት ዝገጣጠማ ሞባይላት ከምዝለዋ ዝሕብር ታከር፡ \"ብደረጃ ፋብሪካ እዚ ናትና ናይ መጀመርታ እዩ፡ ኩሉ ኣካላት እታ ሞባይል ከኣ ኣብዚ እዩ ዝፈሪ\" ኢሉ። እዚ ኣብ መዓልቲ 1200 ሞባይላት ከፍሪ ትጽቢት ዝግበረሉ ፋብሪካ፡ ንምትካሉ 24 ሚልዮን ዶላር ከምዝወደአ ተፈሊጡ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49983800"} {"headline":"ግረክ ስኮፍ ዝተብሃለ ኣሜሪካዊ ሰባኺ 'ዘይሕጋዊ' ኣኼባ ኣካይድካ ተባሂሉ ተኣሲሩ","content":"ፖሊስ ርዋንዳ ዘይሕጋዊ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገይሩ ንዝበሎ ግረክ ስኮፍ ዝተብሃል ኣሜሪካዊ ሃይማኖታዊ ሰባኺ ኣሲሩ። ግረክ ስኮፍ፡ ምስ ጋዜጤኛታት ዘይሕጋዊ ኣኼባ ገይሩ ዝብል ክሲ ቀሪብሉ'ሎ። መንግስቲ ርዋንዳ፡ ነታ ግረክ ስኮፍ ዝውንና መደበር ሬድዮን ቤተክርስትያንን ስለ ዝዓጽዎ፡ ነቲ መንግስቲ ክነቕፍ ጸኒሑ'ዩ። እታ ብግረክ ስኮፍ እትውነን መደበር ሬድዮ፡ ዝሓለፈ ዓመት ንደቂ ኣንስትዮ 'ሸይጣውንቲ' ብምባላ እያ ተዓጽያ። እታ ቤተክርስትያኑ እውን ኣብ ወርሒ ለካቲት ምስ ካልኦት ኣማኢት ኣብያተ ክርስቲያን ብጉዳይ ብከላ ድምጽን ጉድለት ቅጥዒ ህንጻን ተዓጽያ። ግረክ ስኮፍ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት፡ ይግባይ ብምባል ኣንጻር ቅጥዕታት ሚድያ እታ ሃገር ተቓዊሙ ዳግማይ መደበር ሬድዮኡ ንክኸፍት ክሓትት ጸኒሑ። ኣብ ኪጋሊ ዝርከብ ጀይን ክላውድ ምዋምቡስታ ዝተብሃለ ጋዜጤኛ ከም ዝሓበሮ፡ ግረክ ስኮፍ ጋዜጣዊ መግልጺ ንምሃብ ብሰኑይ ነቲ ኣዳራሽ ከም ዝተኻረዮን እቲ ዋና ግን ኣብቲ ዝተታሓዘ ቆጸራ ናብቲ ገዛ ምእታው ከም ዝኸኣለ ሓቢሩ። ኣብ ደገ ኮይኑ ጋዜጣዊ መግለጺ እናሃበ ኸኣ ፖሊስ መጺኦም ከም ዝሓዝዎ፡ ጀይን ክላውድ ምዋምቡስታ ሓቢሩ። ወሃቢ ቃል ፖሊስ ርዋንዳ ጆን ቦስኮ ካባራ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ \"ንግረክ ስኮፍ ኣሲርና ናብ ቤት ጽሕፈት መርመራ ርዋንዳ ኣረኪብናዩ ኣለና\" ኢሉ። ብምስዓብ \"ኣብ ህዝባዊ ቦታ ምስ ጋዜጤኛታት ዘይሕጋዊ ኣኼባ እናገበረ ኢና ሒዝናዮ፡ ብዘይ መንግስታዊ ፋቓድ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኣኼባ ምክያድ ከኣ ሕጋዊ ኣይኮነን\" ኢሉ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49969329"} {"headline":"ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ፡ \"ምስ ሞት ንፋታሕ ዘለና ኮይኑ እዩ ዝስምዓና ዘሎ\"","content":"ርዋንዳ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሊብያ ተዳጒኖም ዘለው ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ክትቕበል ምስምማዓ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ። እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሩዋንዳ፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ብሰሉስ እዩ ተቃሊሑ። 500 ዝኾኑ መብዛሕትኦም ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመጹ ቆልዑን ደቂ ኣንስትዮን ቀዳምነት ተዋሂቡዎም ኣብ ዝቕጽል ሳምንታት ናብ ሩዋንዳ ክግዕዙ ምዃኖም እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቶም ኣብ ሊብያ ኮይኖም ኣውያቶም ከስምዑ ዝጸንሑ ስደተኛታት ነዚ ውሳነ እዚ ከመይ ተቐቢሎሞ? ዳንኤል ዝተብሃለ ኤርትራዊ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ መዳጎኒ ስደተኛታት ዘሎ ኮይኑ፡ ካብ ሞት ንፋታሓሉ እዋን ዝኣኸለ ይመስል ክብል እዩ ዝግልጾ። \"ኣብ ሊብያ ምንባርዶ ዘይምንባር ኣብ ዝብል ኢና ተቐርቒርና ጸኒሕና\" ዝብል ዳንኤል \"ምስ ሞት ተሓጺና ጸኒሕና ንፋታሕ ዘለና ኮይኑ እዩ ዝስምዓና ዘሎ\" ይውስኽ። ኣብ ሊብያ ክልተ ዓመትን ልዕሊኡን ከም ዝገበሩ ዝገልጽ ዳንኤል፡ 'ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ክግዕዙ' ዝብል ዘረባ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ዝሰምዕዎ ይሕብር። እቲ ዘረባ ምስ ተሰምዐ ድማ፡ ኣብ ሓንጎሎም ካልእ ሕቶ ከም ዘለዓለሎም እዩ ዝጠቅስ። \"ኣብ ትሕቲ ዩኤንኤችሲኣር እዚ ኩሉ እዋን ጌርና እዚ ናትና 'ኬዝ' ከም ብሓድሽ ድዩ 'ሀ' ኢሉ ክጅምር ዋላስ፡ ዝብል ሕቶ የተሓሳስበና ኣሎ\" ንምድረበዳ ሳሃራን ማእከላይ ባሕርን ሰጊሮም ኤውሮጳ ንምእታው ዝፍትኑ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛተታ በብዓመቱ ናብ ሊብያ የምርሑ። እቶም ዝተትሓዙ ድማ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሊብያ እዮም ዝዳጎኑ። ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ከባቢ 4,700 ሰባት፡ ብህጹጽ ካብቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ጽንኩር ኩነታት ክወጹ ከም ዘድሊ ይግለጽ። ኤርትራዊ ዳንኤል ከኣ ሓደ ካብኦም እዩ፡ ዳንኤል ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ዝተሓበሮም ነገር ከም ዘየሎ ብምሕባር፡ እቲ ብማሕበራዊ ሚድያ ዝግለጽ ዘሎ ቁጽሪ ግን ምስቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ቁጽሪ ስደተኛታት ኣዛሚድካ ኣዝዩ ውሑድ ምኳኑ እዩ ዝገልጽ። \"ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ርዋንዳ ዝኾነ ዝተሓበረና ነገር የለን፡ ገለ ሰባት 'ዓሻራ' [ኣሰር ኣጻብዕቲ] ሂቦም ኣለው፡ ኣብቲ ወረቐት ከኣ ናብ ርዋንዳ ዝብል ነይርዎ\" ይብል። ብምቕጻል \"ድሕሪ ርዋንዳከ ጉዕዞ ሂወትና ናበይ ገጹ እዩ ክኸውን ዝብል ሕቶ ግን ገና ሻቕሎት ይፈጥርልና ኣሎ\" ይውስኽ። \"ቅድሚ ሕጂ ካብ እስራኤል ናብ ርዋንዳ ዝኸዱ ነይሮም እዮም፡ ተመሊሶም በዚ ሳሃራ ከቋርጹ ሂወቶም ዝሓለፈ ከኣ ውሑዳት ኣይኮኑን\" ብምባል ኣብ ርዋንዳ ምንባር ይከኣል ድዩ ንዝብል ተስፋ፡ ሃሳስ ኮይኑ ከምዝርኣዮ ይገልጽ። ሩዋንዳ፡ ነቶም ስደተኛታት መዕቆቢ ትህብ ዘላ፡ ገንዘብ ንክትቕበል እዩ ንዝብል ሓበሬታ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ስደተኛታት ሩዋንዳ ጀረመይን ካማይረዝ፡ ነጺጋቶ'ያ። እታ ሚኒስተር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ \"እዚ ሰብኣዊ ተግባር እዩ፤ ኩሉ ኣፍሪቃዊ ከምዚ ክገብር ይግባእ\" ኢላ። መብዛሕትኦም ካብ ሶማል፡ ኤርትራን ሱዳንን ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብ ሩዋንዳ ምስ በጽሑ፡ ዩኤንኤችሲኣር ነቲ ዘሎ ኣማራጺታት ክቕርበሎም ምዃኑ እቲ መግለጺ ይሕብር። መንግስቲ ርዋንዳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እውን ካብ እስራኤል ስደተኛታት ትቕበል ነይራ እያ። ፍሻለ ተስፋይ ሓደ ካብቶም ኣብ 2016 ካብ እስራኤል ናብ ርዋንዳ ዝተመለሱን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኡጓንዳ ዝነብር ዘሎን ኤርትራዊ እዩ። \"ካብ እስራኤል ናብ ርዋንዳ ክንመጽእ እንከለና፡ በቲ ናይ እስራኤል ዝነበረ ጸቕጥን ኣማራጺ ዘይህብ ዕድላትን ኢና መጺእና፡ ኣብ ግዜኡ ከኣ ሩዋንዳ ንዓና ክትቕብል ካብ እስራኤል ኣጽዋር ትቕበል እያ ዝብል ዛዕባ ይልዓል ነይሩ እዩ፡ ብዝኾነ ኣብ ርዋንዳ ክልተ መዓልታት ጸኒሕና ካብ ሩዋንዳ ናብ ኡጋንዳ 'ብታህሪብ' ብኣስገርቲ ኢና ብመሬት ሰጊርና \" ይብል። ፍሻለ ተስፋይ፡ ካብ እስራኤል 7 ኤርትራውያን ብሓደ ናብ ሩዋንዳ ከም ዝመጽኡን ምስቶም ድሕሪም ዝተሓወስዎም 4 ሰባት ኮይኖም ናብ ኡጓንዳ ከም ዝሰገሩን እዩ ዝገልጽ፡ ንምንታይ ኣብ ሩዋንዳ ናብርኡ ክመርሕ ዘይመረጸ ከብርህ እንከሎ ድማ፡ ኣብ ኡጓንዳ ብብዝሒ ኤርትራዊ ሕብርተሰብ ስለዘሎ ናብ ሕብረተሰብካ ምሕዋስ ከም ቀዳማይ ኣማራጺ ከም ዝውሰድ ይገልጽ። \"ካልእ በቲ ሽዕኡ ንእክቦ ዝነበርና ሓበሬታ ናብ ካልእ ሃገር መንገድኻ ክትቕጽል እንተኮንካ፡ ኡጓንዳ ዝሓሸ ዕድላት ኣለዋ ዝብል እዩ ነይሩ\" ይብል። ብዛዕባ እዞም ካብ ሊብያ ርዋንዳ ክትቐበሎም ተሰማሚዓ ዘላ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ምስ መጽኡ እንታይ ከጋጥሞም ይክእል ንዝብል ሕቶ ድማ፡ ቀዳምነት ክስራዕ ዘለዎ፡ ህይወት ምኳኑ እዩ ዝገልጽ \"ኣብ መንጎ ክልተ ሓዊ እዮም ተቐርቂሮም ዘለዉ፡ ስለዚ እዚ ኣማራጺ ዘይብሉ ሕርያ እዩ፡ ኣብዚ ምስ መጽኡኸ እንታይ ዕድላት እዩ ከጓንፎም ኣብ ዝብል ከኣ፡ ከማና ከም የሕዋቶም እዩ፡ ኩሉ ሰብ ብዓቕሙ እዩ ሰለይ ዝብል ዘሎ፡ ካብኣ ናይ ምውጻእ ዕድል እንድሕር ረኺቦም ባዕሎም'ዮም ከመቕርዎ ዝኽእሉ\" ይብል።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/49664878"} {"headline":"106 ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ግዒዞም","content":"ሎሚ ሰዓት 1፡30 ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ብበዝሒ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 123 ስደተኛታት ካብ መዳጎኒ ስደተኛታት ሊብያ ናብ ርዋንዳ ግዒዞም። ሎሚ ለይቲ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ኪጋሊ ዝኣተዉ እዞም ስደተኛታት፡ ናብታ ኣብ ምብራቕ ርዋንዳ እትርከብ ዞባ ቡጎሴራ ግዒዞም ኣብ ጋሾራ ዝተብሃለ መዕቖቢ ስደተኛታት'ዮም ክጸንሑ። እዞም 123 ስደተኛታት ምስቶም ኣቐዲሞም ብዕለት 27 መስከረም 2019 ናብ ርዋንዳ ዝኣተዉ 66 ስደተኛታት ክሕወሱ እዮም። ከይቲ ዝተብሃለት መደብር ዜና ርዋንዳ ንሚኒሰትሪ ምሕደራ ህጹጽ ሓደጋ ጠቂሳ ኣብ ዝዘርገሐቶ ሓበሬታ፡ ካብዞም 123 ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ዝግዓዙ ስደተኛታት፡ እቶም 99 ደቂ ተባዕትዮ ክኾኑ እንከለዉ፡ ዝተረፉ 24 ድማ ደቂ ኣንስትዮ እየን። እዞም ናብ ርዋንዳ ግዒዞም ዘለዉ ስደተኛታት ሓፈሻዊ ዕድሜኦም ካብ 3 ክሳብ 23 ዓመት ኮይኑ፡ 59 ትሕቲ ዕድመ ይርከብዎም። እዞም ብምትሕብባር መንግስቲ ርዋንዳ፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን፤ ናብ ርዋንዳ ዝግዓዙ ስደተኛታት፡ ዜጋታት 4 ሃገራት ኮይኖም፡ 106 ኤርትራውያን፣ 15 ሶማሊያውያን፣ 2 ሱዳናውያን ከምኡ እውን ሓደ ሶርያዊ እዮም። እዚ ምግዓዝ ስደተኛታት፡ ብመሰረት እቲ ኣብ 10 መስከረም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ርዋንዳ፣ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝተበጽሐ ስምምዕ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ብመሰረት እዚ ስምምዕ፡ መብዛሕትኦም ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመጽኡ 500 ዝኾኑ ቆልዑን ደቂ ኣንስትዮን ቀዳምነት ተዋሂቡዎም ናብ ሩዋንዳ ክግዕዙ ምዃኖም'ዩ ኣብቲ እዋን ተነጊሩ ነይሩ። ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ መብዛሕትኦም ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾኑ፡ ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኣውሮጳ ከይኣትዉ ዝተኸልከሉ፡ ኣስታት 4700 ስደተኛታት ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ሊብያ ይርከቡ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50010758"} {"headline":"ክልተ ኣሕዋት ምብራቕ ኣፍሪቃ ተዓወትቲ 'ጎት ታለንት' ኮይኖም","content":"ክልተ ኡጋንዳውያን ኣሕዋትት ፈላሞት ተዓወትቲ ውድድር ተውህቦ ምብራቕ ኣፍሪቃ [ጎት ታለንት'] ኮይኖም። እቲ ውድድር ተነሓናሕቲ ኣርባዕተ ሃገራት ተሳቲፎምሉ ተባሂሉ። ኢስተር ሙተሳሲራን ኢዝቅኤል ሙተሳሲራን ዝተብሃሉ እዞም ኣሕዋት፡ ናይዚ ፈላማይ ውድድር ተዓወትቲ እንትኾኑ፡ ብሓፈሻ 50 ሺሕ ናይ ኣመሪካ ዶላር ተሸለምቲ ኮይኖም። ኣብቲ ውድድር ሽድሽተ ተነሓናሕቲ ናብ መወዳእታ እንክበጽሑ፡ ናብ ሎሚ ዘጽብሕ ለይቲ እቲ ውድድር ተዛዚሙ። እተን ዝተረፈ ካልኦት ናብ መወዳእታ ዝበጽሐዓ ተነሓናሕቲ፡ ክልተ ካብ ኬንያ፣ ሰለስተ ካብ ኡጋንዳ ሓንቲ ድማ ካብ ርዋንዳ እየን። ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቬኒ፡ ብትዊትሩ ገጹ ኣቢሉ ነተን ተዓወትቲ ናይ ሓጎስ መልእኽቲ ልኢኹለን። እቲ ውድድር በቲ ፍሉጥ ኣካል እንግሊዛዊ ሳይሞን ኮወል ዘካይዶ 'Got Talent' [ጎት ታለንት] ብዝብል ዝፍለጥ ውድድር እዩ ተባሂሉ። ኣብ ዩኔስኮ ዘይድህሰስ ሓድጊ ተባሂሉ ተመዝጊቡ ዝርከብ ጸዋታ ከበሮ ብሩንዲ፡ ኣብቲ ውድድር ሕጋዊ ብዘይኾነ መገዲ ቀሪቡ ብዝብል ከካትዕ ጸኒሑ ነይሩ። ኣብዚ ዞባዊ ውድድር ኬንያ፣ ኡጋንዳ፥ ሩዋንዳን ታንዛንያን ጥራሕ እየን ዝሳተፋ ዘለዋ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/49958327"} {"headline":"ርዋንዳ ካልኦት ተወሰኽቲ ስደተኛታት ክትቕበል እያ","content":"ርዋንዳ፡ ኣብ መዳጎኒ ስደተኛታት ሊብያ ተታሒዞም ዘለው ካልኦት ተወሰኽቲ ስደተኛታት ከም እትወስድ ኣፍሊጣ። እቶም ስደተኛታት ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሕዳር ናብታ ሃገር ክግዕዙ እዮም። እቲ ዝወጸ መግለጺ ከም ዝሕብሮ፤ ከባቢ 120 ስደተኛታት ሳልሳይ ጉጅለ ናብታ ሃገር ክግዕዙ ምዃኖምን፡ እዚ ከኣ ብመሰረት እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሩዋንዳ፡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ዝተበጽሐ ስምምዕ እዮ። ርዋንዳ፡ ከባቢ 500 ስደተኛታት መብዛሕትኦም ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመጹ ቆልዑን ደቂ ኣንስትዮን ካብ ሊብያ ክትቅበል ተሰማሚዓ ነይራ። ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ሊብያ ኣብ መዳጎኒ ስደተኛታት ተታሒዞም ዝነበሩ 66 ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ኣቲዮም እዮም። ኣብዚ ወርሒ ድማ፡ ብበዝሒ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 123 ስደተኛታት ካብ መዳጎኒ ስደተኛታት ሊብያ ናብ ርዋንዳ ከም ዝገዓዙ ይፍለጥ። እዞም ስደተኛታት፡ ናብታ ኣብ ምብራቕ ርዋንዳ እትርከብ ዞባ ቡጎሴራ ግዒዞም ኣብ ጋሾራ ዝተብሃለ መዕቖቢ ስደተኛታት'ዮም እዮም ዘለው። ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጨንፈር ርዋንዳ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ነቶም ካብ ሊብያ ዝኣተው ስደተኛታት ንምሕጋዝ፡ ምስ መንግስቲ ርዋንዳ ተሓባቢሮም ዝከኣሎም ይገብሩ ምህላው ገሊጹ። ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ መብዛሕትኦም ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾኑ፡ ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኣውሮጳ ከይኣትዉ ዝተኸልከሉ፡ ኣስታት 4700 ስደተኛታት ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ሊብያ ይርከቡ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50165737"} {"headline":"ሳላ ቢቢሲ ዳግማይ ዝተራኸቡ ሰብ ሓዳር","content":"ኣብ ሩዋንዳ ብ1994 ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓድሕዳዊ ኵናት፡ ብዙሓት ኣባላት ሓንቲ ስድራ ተጣፊኦም እዮም። ቢቢሲ ጋሁዛ ነቶም ንዓመታት ተጣፊኦም ዝነበሩ ስድራቤታት ንምርኻብ ዝዓለመ መደብ ነይርዎ። ካብቶም ዝተራኸቡ ስድራቤታት፡ ነታ ሓንቲ ተላለይዋ።","category":"ሩዋንዳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49810239"} {"headline":"ን75 ዓመታት ብጌጋ ተገልቢጡ ንምርኢት ክቐርብ ዝፀንሐ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት","content":"ብሆላንዳዊ ቀባኢ ፒት ሞንድሪያን ዝተዳለወ ‘ኣብስትራክት’ ዝዓይነቱ ስርሓት ስነ ጥበብ ን75 ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ምርኢታት ብጌጋ ተገልቢጡ ክስቀል ከምዝጸንሐ ሓንቲ ተመራማሪት ታሪኽ ስነ ጥበብ ገሊጻ። እቲ ጌጋ ኣብ ቀረባ እዋን’ኳ እንተተፈለጠ፡ እቲ 'ኒውዮርክ ሲቲ I’ [New York City I] ዝብል መጸውዒ ዘለዎ ስርሓት ስነ-ጥበብ ንኸይጉዳእ ብዝብል በቲ ዝፀንሐ ግጉይ ኣቀማምጣ ተገልቢጡ ንምርኢት ክቐርብ ተወሲኑ’ሎ። ብ1941 ዝተዳለወ እቲ ቅብኣ ንመጀመርታ ግዜ ብ1945፡ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ቤተመዘክር ዘመናዊ ስነጥበብ እዩ ንምርኢት ቀሪቡ። ካብ 1980 ጀሚሩ ከኣ ኣብ ጀርመን ዱሰልዶርፍ ንምርኢት ተሰቒሉ ከምዝፀንሐ ይግለፅ። ተመራማሪት ታሪኽ ስነ ጥበብ ሱዛኔ ሜየር-ቡሰር፡ እቲ ቤተመዘክር ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ብዛዕባ እቲ ስነጥበባዊ ዘቕረቦ ሓድሽ ምርኢት ክትምርምር እንከላ’ያ ነቲ ንዓመታት ​​ዝጸንሐ ጌጋ ኣስተብሂላቶ። እንተኾነ ግና፡ በቲ ቅኑዕ መገዲ ንላዕሊ እንተተሰቒሉ ክበታተን ከምዝኽእል ኣጠንቂቓ። ‘ኒውዮርክ ሲቲ I’ እቲ ስነ-ጥበባዊ ብመጣበቒ ቴፕ (ፕላስተር) ዝሰርሖ ቅዲ እዩ። ሜየር-ቡሰር ብዛዕባ እቲ ዘይተዛዘመን ፊርማ ዘይተነበረሉን ቀይሕ፣ ሰማያውን ብጫን መስመር ዘለዎ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ንዘ ጋርድያን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ \"ርጉዲ ናይቲ መስመር ኣብ ላዕሊ ክኸውን ኣለዎ\" ኢላ። \"ነቲ ጌጋ ኣስተብሂለ ንኻልኦት ሰብሞያ ምስ ሓበርክዎም፡ ኣዝዩ ርኡይ ምዃኑ ተረዲኡና። እቲ ስእሊ ብጌጋ መንገዲ ተሰቒሉ ክኸውን ዝለዓለ ተኽእሎ ኣሎ\" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ። እቲ ጸላዋይ ሆላንዳዊ ቀብኢ ምስ ሞተ ድሕሪ መዓልትታት ዝተሳእለ ሓደ ስእሊ፡ ተመሳሳሊ ቅብኣ በቲ ቅኑዕ ገፁ ንላዕሊ ተሰቒሉ የርእይ። እቲ ምስሊ ሰነ 1944 ኣብ ኣመሪካዊት መጽሔት ቅዲ ህይወት ‘ታውን ኤንድ ካንትሪ’ ተሓቲሙ ኔሩ። ብ1872 ኣብ ዞባ ዩትረክት ሆላንድ ዝተወልደ ሞንድሪያን፡ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ስነጥበባውያን መበል 20 ክፍለ ዘመን፡ ከምኡ’ውን ጀማሪ ዘመናዊ ቅዲታት ቅብኣ ኣብስትራክት፣ ሚኒማሊዝምን ኤክስፕረሽንዝምን ተባሂሉ ይግለጽ። ስርሑ ኣብ  ስነ-ጥበብ ዓለም ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዓውድታት ዲዛይን፣ ስነ-ህንጻን ፋሽንን እውን ዓቢ ጽልዋ ነይርዎ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cy9v1p8y9g9o"} {"headline":"ኣብ ዝለዓለ ጫፍ ጥበብ ዝዓረገት ኤርትራዊት ኢጣልያዊት ሲልቫና ኣረጋሽ ሳቮረሊ","content":"ኣብ ዓለማዊ ኣህጉራዊ መድረኽ ሙዚቃን ምርኢትን ልዑል ስም ኣድናቖትን ዝረኸበት፡ ኣብ ታሪኽ ሙዚቃ ዓቢ ስምን ዝናን ምስ ዝወነኑ፡ ከም በዓል ሉዊ ኣርምስትሮንግ፡ ፍራንክ ሲናትራ፡ ስቲቪ ዋንደር፡ ክዊንሲ ጆንስ፡ ሉችያኖ ፓቫሮቲ፡ ዘኣመሰሉ ዓበይቲ ሙዚቀኛታት እትስራዕ፡ ብዜደንቕ ክእለትን ነብሰ ምትእምማንን እትዋሳእ ኤርትራዊት ኢጣልያዊት ሲልቫና ኣረጋሽ ሳቮረሊ ማዕረ ክንደይ ኮን ንፈልጣ ንኸውን? ኣብ መድረኽ ምርኢት ‘ላራ ሰይንት ፖል’ ተባሂላ እያ ትጽዋዕ። እቲ ሓቀኛ ስማ ግን ሲልቫና ኣረጋሽ ሳቮረሊ እዩ። ካብዚ እተጠቕሰ ኣስማት እታ “ኣረጋሽ” እትብል ምስ ሓረገ ትውልዲ ኤርትራውያን እትተኣሳሰር ስም እያ ንፈለማ ሓጠቕ እትብለና። “ኣረጋሽ” እምበኣር ስም ናይተን ነዛ ስምይቲ ድምጻዊት ዝፈረያ ኤርትራዊት ኣደ እያ። መጸውዒ ስማ “ሲልቫና”፡ ስም ወላዲታ “ኣረጋሽ”፡ ስም ኣቦኣ ከኣ “ሳቮረሊ” እዩ ዝኸውን ዘሎ። ስለምንታይ ደኣ ስም ኣደ ናይ ኣቦነት ቦታ ተኪኡ ንዝብል ሕቶ ድሕሪ ቁሩብ ኣብዚ ዛንታ ክንረኽቦ ኢና። እቲ ብዘመን መግዛእቲ ጥልያን ዝተኣታተወ ምትእስሳር ደቀባትን ባዕዳውያንን እናሃሰሰ እኳ እንተኸደ፡ ብትምህርቲ፡ ብቋንቋ፡ ብመውስቦን ባህሊን ዝኣመሰለ ነገራት ሱር ሰዲዱ’ዩ። ኣብ መወዳእታ 30ታት ኣብ ኤርትራ ኣስታት 76,000 ኢጣልያውያን ይነብሩ ከም ዝነበሩ ሰነዳት ታሪኽ ይሕብሩ።  እቶም 80ሽሕ ዝገማገሙ፡ ኣብ ኤርትራ መቺኡዎም ዝነበባሩ ዝነበሩ ዓሳክርን ሞያውያንን ኢጣልያውያን ከኣ ካብ ኤርትራውያን ኣዴታት ብኣሽሓት ዝቍጸሩ ሓናፍጽ ቈልዑ ወለዱ። ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ጣልያን ተሳዒሩ እንግሊዝ ምስ ኣተወ፡ ብዙሓት ኢጣልያውያን ንዓዶም ተመልሱ። እቶም ካብ ኤርትራውያን ኣዴታት ዝወለዱ ኢጣልያውያን  ወተሃደራት ከኣ ነተን ዝወለዱለን ስለዝጠለሙዎን ብዙሓት ካብ’ቶም ቈልዑ ኣብ ድኽነትን ወዲቐም ገሊኦም ኣብ መዕበያ ዘኽትማት፡ ገሊኦም ምስ ኣዴታቶም ተጸጊዖም ይዓብዩ ነበሩ። ብሽም ኣቦታቶም ክጽውዑ ዘይከኣሉ ብዙሓት ቈልዑ ከኣ ብሽም ኣዴታቶም ይጽውዑ ነበሩ። እዛ ሎሚ “ሲልቫና ኣረጋሽ” ብዝብል ስም ዛንታኣ እነልዕሎ ዘለና ስምይቲ ሰብ ከኣ ሓንቲ ካብቶም ኣብ ኤርትራ እተወልዱ ሓናፍጽ እያ። ሲልቫና ኣረጋሽ፡ ብ 30 ሚያዝያ 1945 ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ። ዕድል ጌራግን ዋላ’ኳ ብስም ኣዲኣ ትጽዋዕ እንተነበረት፡ ኣቦኣ ንዓዲ ጥልያንክምለስ እንከሎ ኣብ ሰሜን ኢጣልያ ናብ ዝርከብ ፉዚኛኖ ዝበሃል ቦታ ምስኡ ሒዙዋ ከደ።  ሽዑ ጓል  ሸውዓተ ዓመት እያ ነይራ። ስም ኣቦኣ ብምውሳድ ድማ ሲልቫና ኣረጋሽ ሳቮረሊ ብዝብል ስም እናተጸውዐት ኣብ ፉዚኞኖ ዓበየትን ተማህረትን። ሰነዳት ከም ዝሕብርዎ ግን ኣዲኣ ኣደይ ኣረጋሽ ምስኣ ኣይተጓዕዛን። ስመን ኮነ እንታውነተን ኣብ ሰነዳት ኮነ ኣብ ዛንታ ኣይተጠቕሰን። ‘ሳቮረሊ’ ዝብል ስም ኣቦኣ መዓስ ከም እተቀበለቶ’ኳ ኣይፈለጥ፡ ሲልቫና ዕድል ጌራ ኣብ ዓዲ ጥልያን ብጽቡቕ ዓበየት። ኣብ ቁልዕነታ ከኣ ከም ብዙሓት መዛኑኣ መንእሰያት ኣቓልቦኣ ብሙዚቃ ተሰልበ። ሲልቫና ጥበብ-ደርፊ ካብ ፍሉጣት ናይ ሙዚቃ መምህራን - ከም ፕሮፈሶር ቲና ብሪኒ ዘኣመሰላ - ተማህረት፡ ምስኡ ኸኣ ሙዚቃ ናይ መሃልያ ጃክሰን (ፍልጥቲ ጸላም ኣሜሪካዊት መንፈሳዊት ደራፊት)፡ ናይ ሉዊ ኣርምስትሮንግ (ጐይታ ጃዝ) ፡ እታ ብንግስቲ ናይ ጃዝ ሙዚቓ  እትፍለጥ ኤላ ፊትስገራልድ ከምኡ’ውን ናይ ካልኦት ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ሙዚቓ እናሰምዐት ዓበየት። ዓሰርተ ሽድሽተ ዓመት ምስ መልአት፡ ብ1962 ምዃኑ’ዩ፡ ኣብ ፈስቲቫል ሳንረሞ ክትካፈል በቕዐት። ኣብ ሳንረሞ ‘ሕብርታት ደስታ’ (I Colori Della Felicitá ) ዘርእስታ ዕውትቲ ደርፊ ኣቕረበት። ንምዃኑ፡ ሳንረሞ ኣብ ገምገም ሰሜናዊ ምዕራብ ኢጣልያ እትርከብ ከተማ ኰይና ካብ 1951 ጀሚሩ ዓመተ-ዓመት እቲ ዝዓበየ ናይ ሙዚቃ ፈስቲቫል እተአንግድ ታሪኻዊት ከተማ ኢያ። ሲልቫና ኣብ ሳንረሞ ብኡ-ንብኡ ዓቢ ክእለት-ደርፊ ከም ዘለዋ ተራእየ። ኣይጸንሐትን፡ ኣብ ተለቪዥን ደጋጊማ ክትርአ ጀመረት። ኣብ ፊልም፡ ንግዲ፡ ሳይንስ፡ ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ኣህጕራውያን መድርኻት ኤርትራውያን ወይ ከኣ ትውልዲ-ኤርትራ ዘለዎም ሓሓሊፎም ይርከቡ’ዮም። ኣብ ሙዚቃ ዓለም ከም ናይ ሲልቫና ዝኣመሰለ ስምን ዝናን ግን ዛጊት ኣይተሰምዐን። ሲልቫና ብ1976 ምስ ፔር ክዊንቶ ካርያጂ ዝተባህለ ርኹብን ክኢላን ማናጀር ሓቢራ ክትሰርሕ ምስ ጀመረት ኣብ ሙዚቃ ዓለም ዓቢ ዓወትተጎናጸፈት። ካብ ሽዑ ጀሚራ ናይ መድርኽ ስማ - ላራ ሰይንት ፖል - ሒዛ ክትዋሳእን ክትደርፍን ጀመረት። ምስ ካርያጂ ሓዳር መስሪታ ኸኣ ማንወላን ግወንዳሊና ዝበሃላ ክልተ ኣዋልድ ወለደት። ‘ላራ ሰይንት ፖል’ ኣብ ሳንረሞ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ምሉእ ዓዲ ጥልያን እናተወርየት ከደት፣ ተወንጨፈት ከኣ። ሰለስተ ጊዜ ኣብ ሳንረሞ ኣብ ዛዛሚ ውድድር ክትበጽሕ ብምኽኣላ (1968\/ 1972\/ 1973) ዓቢ ዓወት ኣመዝገበት።  ጥዑምን ሓያልን ድምጺ ስለ ዝነበራ፡ ዓቕማ ድማ ስለ ዘመስከረት ምስ ዓበይቲ ሙዚቀኛታትን ብምፍላጥ ኣብ ምዕቡልን ስልጡንን ኢጣልያዊ ባህሊ ቦታ ረኸበት። ብ1968 ላራ ሰይንት ፖል ኣብ ሳንረሞ ምስቲ ኣዝዩ ዉርይ ጸሊም ኣሜርካዊ ሉዊ ኣርምስትሮንግ ኣብ ታሪኽ ሙዚቃ ጃዝ እቲ ዝዓበየ ጥሩምበኛ (master jazz trumpeter) ሓቢራ ብምድራፍ ታሪኻዊ ዓወት ኣመዝገበት። ኣብቲ ዘመን’ቲ ብሙዚቃ ጃዝ ካብ ሉዊ ኣርምስትሮንግ ዝበልጽ ደራፋይ ኣይነበረን። ሉዊ ኣርምስትሮንግ ድማ ብክእለት ላራ ሰይንት ፖል “ሓንቲ ካብ ኣብ ህይወተይ ዘጓነፉኒ ዓቢ ክእለት ዘለዋ ደራፊት” ክብል ኣድናቖቱ ገለጸ። ምስ ከም ፍራንክ ሲናትራ ድሕሪ ካልኣይ ዉግኣ ዓለም ብሉጽ ስም ዘጥረየ ደራፋይን ተዋሳኢን፤ ሉችያኖ ፓቫሮቲ ብዘበኑ እቲ ቀዳማይን ዓቢ ዉርሻ ዝገደፈን ናይ ኦፐራ ደራፋይ፤ ክዊንሲ ጆንስ ጌና ብህይወቱ ዘሎ መሃዛይን ደራስይን ኣፍራይን ሙዚቃ ኰይኑ ምስ ብዙሓት ሙዚቀኛታት ብምትሕብባር ሓያሎ ደርፍታት ዘበርከተ ኣዝዩ ህርኩት ሙዚቃዊ-ሊቅ’ዩ ዝኣመሰሉ ብሉጻት ሰባት ክትራኸብን ክትዋሳእን ዝበቕዐት ትውልደ ኤርትራዊት ሲልቫና ኣረጋሽ  ምስ ሉዊ ኣርምስትሮንግን ላዮነል ሃምፕተን (ፍሉጥ መራሕ ቢግ-ባንድ) ኰይና ንጳጳስ ዮውሃንስ ጳውሎስ 4ይ ከም ዝረኸበቶ ሰነዳት ታሪኽ ይምስክሩ። ኣብ 70’ታትን 80’ታትን ዝና ላራ ሰይንት ፖል መሊሱ ወሰኸ። ሓንቲ ካብ’ቶም ኣብ ዓዲ ጥልያን ይዅን ኤውሮጳ ኣዝዮም ዉሩያት ስነ-ጥበበኛ ኰያና ኸኣ ጸብለል በለት።  ኣብቲ ዝበለጸ መደበር ተለቪዥን ኢጣልያ (RAI) ኣብ በብዓይነቶም መደባት እጃማታ ብምቕራብ ሓንቲ ካብ’ቶም ኣዝዮም ህብብቲ ኮኾብ ክትከውን በቕዐት። እቲ ዝዓበየ ዕዳጋ ሙዚቓ ላራ ሰይንት ፖል ኣብ ኤውሮፓ’ኳ ይንበር፡ ኣብ ኣርጀንቲና፡ ብራዚል፡ ከምኡ’ውን ጃፓን ስማ እናዓበየ ከደ። ዝናኣ ካብ ኤውሮጳ ሰጊሩ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ በጽሐ። ንዕዳጋ ኣሜሪካ ጥሒሳ ብምእታው ምስ ረይ ቻርለስ፡ ስቲቪ ዋንደር፡ ፍራንክ ሲናትራ፡ ቢል ኮንቲ፡ ሀንሪ ማንቺኒ ከምኡ’ውን ሮበርታ ፍላክ ሓቢራ ኣብ መድርኽ ወጺኣ ብምድራፍ ክእለታን ኣድላይነታን ኣመስከረት።  እዞም ስነ-ጥበበኛታት’ዚኦም ኣብ ሙዚቃ ዓለም ኣሜሪካ ዓቢ ጽልዋ ዝነበሮም ሰባት’ዮም። ክዊንሲ ጆንስ፡ ንብዙሓት ኣገደስቲ ኣመሪካውያን ሙዚቀኛታት (ከም ማይክል ጃክሰን ዘኣመሰሉ) ሙዚቃ ዘወሃህድ ሊቅ፡ ብዓቕሚ ላራ ሰይንት ፖል ተደኒቑ ክልተ ደርፍታታ ባዕሉ ኣወሃሂዱ ከም ዘቕርበላ ሰነዳት ታሪኽ ይሕብሩ። ላራ ሰይንት ፖል በቲ  ኣብ ሙዚቃ-ዓለም ዝገበረቶ ኣበርክቶ ብርክት ዝበሉ ብልጫታት ረኺባ’ያ - ከም ወርቃዊ ሽልማት ኤውሮጳ ዘኣመሰለ፣ ኣብ ጃፓን ዝተኻየደ ኣህጕራዊ ፈስቲቫል ሙዚቃ’ውን ከይተረፈ ብልጫ ረኺባ’ያ። ኣብ 80’ታት  ካብ ሙዚቃ ዓለም ግልል ኢላ ብዙሕ ስርሓት ሰርሐት - ከም ኣላይት መድርኽ፡ ጋዜጠኛ፡ ኣሰናዳኢት ምርኢት ፋሽን ... ብዓቢኡ ኸኣ ናይ ኣሮቢክስ (ምውስዋስ ኣካላት) ኣብ ቪድዮ ክትቀርጽ ክኢላ’ያ። ኣብ 80’ታት ኣሮቢክስ ኣብ ኣሜሪካ ብበዓል ጀይን ፎንዳ - ፍልጥቲ ተዋሳኢት ሲነማ ዝነበረት ተመሪሑ ኣዝዩ ገኒኑ ነበረ። ላራ ሰይንት ፖል ድማ ምስ ጀይን ፎንዳ ብምትእስሳር ናታ ናይ ኣሮቢክስ ቪድዮታት ክትቀርጽ ጀመረት፣ ኣብ’ቶም ቪድዮታት ከኣ ብብርክት ዝበሉ ናታ ደርፍታት ኣሰንያ ክትወሳወስን ክትስዕስዕን ትርአ ነበረት፣ ኣብ’ቲ መዳይ’ቲ ድማ ዓቢ ዓወት ተጐናጸፈት። ብ1988 ላራ ሰይንት ፖል ኣብ ካዚኖ-ሳንረሞ ከም ኣቕራቢትን መራሒት ሙዚቃ ፈስቲቫልን ኰይና  ቀረበት። ቀጺላ ‘ቪቫ ሆሊዉድ’ ዚበሃል ንብሉጻት ተዋሳእቲ ብልጫ ዘበርክት መደብ ምስ ሰብኣያ ኰይና ኣበገሰት። እቲ መደብ ከኣ ተዓወተ።እታ ቀዳመይቲ ብልጫ ዝረኸበት ኣክትረስ ድማ በቲ ደይቪስ እትበሃል ኣብ ታሪኽ ሲነማ ኣሜሪካ ዓቢ ተራ ዝተጻወተት ክኢላ ነበረት። ኣብ ተስዓታት፡ ናብ ሙዚቃ-ዓለም ብምምላስ፡ ምስ ሰብኣያ ብምትሕብባር፡  ዓበይቲ ምርኢታት ከተቕርብ ከኣለት። ‘ላራ ሱፐርስፐሻል’ ዝበሃል ምርኢታ ኣብ 19 ሃገራት ክዝርጋሕ ከኣለ።  እቲ መደብ ብዙሓት ዓበይቲ ደቂዓድን ናይ ጥልያን መበቆል ዘለዎም ወጻእተኛታት፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ሰብ-ግዙፍ-ስም ብምዕዳም ኣበርክቶኦም ዝጽንብል ነበረ። ኣብቲ መደብ ከም ፍራንክ ሲናትራ፡ ሊዛ መነሊ፡ ሃሪ በላፎንተ ዘኣመሰሉ፡ ከምኡ’ውን ብዙሓት ካልኦት ስነ-ጥበበኛታት ከተቕርብ ከኣለት። ብ1995 ሓደ ካብ’ቶም ምስ ሰብኣያ ተሓባቢራ ዝሰርሓቶም ኣድናቖት ዝረኸበ ዶኩመንታዊ ፊልም ታሪኽ ሉችያኖ ፓቫሮቲ’ዩ - ኣብ ታሪኽ ስነ-ጥበብ ደርፊ ኣሜሪካ እቲ ዝለዓለ ቦታ ዝነበሮ ስነ-ጥበበኛ። እቲ ዜሕዝን ግን ሰብኣያ ኣብቲ ዓመት’ቲ ብወቕዒ (stroke) ተቐዚፉ ሞተ፣ ብእኡ ምኽንያት ከኣ ላራ ሰይንት ፖል ሰንከልከል ክትብል ጀመረት። ላራ ሰይንት ፖል እዚ ኹሉ ዓወታት ክትጐናጸፍ፡ ከም ኣምባሳደር ባህሊ ሙዚቃ ጣልያን ኰይና ኣብ ምሉእ ዓለም ክትበጽሕ፡  ኣድናቖት ዓበይቲ ሙዚቀኛታት ክትረክብ፡ ኣብ ዓዲ ጥልያን ከኣ ኣብ ዝለዓለ መድርኽ ምርኢት ክትበጽሕ በቲ ዝተወለድሉ ቦታ ይዅን ኩነታት ኣዲኣ ኣብ ሰነዳት ህይወታ ብዘይምስፋሮም ዛንታኣ ጐደሎ ምዃኑ ኣንባቢ ክርዳእ ይኽእል ይኸውን። ግናኸ፡ በቲ ንሳ ዘበርከተቶ፡ ንኣብነት ሙዚቃ ጸለምቲ ኣሜሪካ ምስ ባህሊ ሙዚቃ ጣልያን ኣዋሃሂዳ ከተቐርብ ብምኽኣላ፡ ኣብ ሞንጎ ሙዚቀኛታት ጸለምትን ጸዓዱን ዓቢ ድልድል ብምህናጻ እትዝከር ክኢላ ሰብ’ያ። ይዅን’ምበር፡ ኩሉ መፈጸምታ ስለ ዘለዎ፡ ህይወት ላራ ሰይንት ፖል ቀስ ኢሉ ክዝሕትል ጀመረ። ሰብኣያ ምስ ሞተ ኣብ ህይወታ ሓደ ዘደንገላ ሞገደ ነውጺ ኸኣ ኣጓነፋ። ሰብኣያ እቲ ናይ ባንካ ሕሳቦም ብግቡእ ኣይመሓድሮን ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ዕዳ ክሳብ ትኣቱ ዀነት። ይዅን’ምበር ላራ ሰይንት ፖል ካብ ብርሃን-መድርኽ ንከይትእለ ክሳብ ዝከኣላ ትሰርሕ ነበረት። ዓመት 2000 ኣትዩ ነቲ ሓዲሽ ክፍለ ዘመን ሰለይ ኢላ ብዘይ ሰብኣያ ጀመረቶ።  ዕብየት ኣርኪቡ ሕማም መጸ።  እቲ ኹሉ ሃብቲ፡ እቲ ኹሉ ዝና ሓሊፉ ኣብ ድኽነት ተሸመመት። ብ2012 ነቲ ትነብረሉ ዝነበረ ዓቢ ገዛ ከተመሓድሮ ብዘይምኽኣላ ክትወጽእ ተገደደት። ምስኡ እቲ ጽቡቕ ስማ ኣንቈልቈለ፡ ብሕማቕ ከኣ ተታሕዘት። መንግስቲ ጣልያን በቲ ዘበርከተቶ ስርሓት ርእዩ ንመናብያኣ ዝኸውን ተቈራጺ ገበረላ። ሕማማ ግን ኣይመሓራን። ብ2017 ብሕማም መንሽሮ ተታሒዛ ብዕለት 8 ጉንበት 2018 ካብዛ ዓለም ኣብ 73 ዕድሚኣ ተፈልየት።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cl71zn5nll7o"} {"headline":"እታ ንሶማላውያን እስላማውያን ነቐፍታ ዝሰዓረት ጫሕጋሪት ሑጻ","content":"ንባህላዊ ጽልኢ ሰጊራ ኣብ ሶማል ክቡር ስነ-ጥበባዊት ክትከውን ዝኸኣለት ኑጁም ሓሺ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቓድሾ፡ ጓል 7 ዓመት ከላ ኣብ ሑጻ ስእሊ እናሰኣለት እያ ሞያኣ እንታይ ከምዝኸውን ወሲና። ኣብ 1990ታትን መጀመርታ 2000ሓትን ዝነበረ ኲናት ሓድሕድ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ስለዝነበረ ስድራኣ ውሱን መንበሪ ኣይነበሮምን። ካብ ሓደ ከባቢ ናብ ካልእ ይሃድሙ ነይሮም። ሓሺ ግን ኩሉ ግዜ ትስእለሉ ሑጻ ኣይትስእንን ነይራ። \"ስነ-ጥበብ ወትሩ ንዓይ ሓደ ዓይነት እፎይታ ኮይኑኒ'ዩ\" ትብል ሓሺ። \"ኣብ እዋን ጽዑቕ ውግእ፡ ስእሊ ንቡርን ሰላማውን ህይወት ምስኣል የህዲኣኒ ነይሩ።\" ስነ ጥበብ ድሕሪ ምዝሓል እቲ ኲናት እውን ሓጊዝዋ እዩ። \"ናይ ቁርኣን መምህረይ ሓያልን ቊጡዕን እዩ ነይሩ። ስለ ዝሃርመና ኣዝየ ይፈርሖ ነይረ። ንገዛይ ክኸይድ ከለኹ ከምሓደ ዓይነት ፈውሲ ጸቕጢ ኣብ ሑጻ ስእሊ ይስእል።\" \"ኣብ መንደቕ መደቀሲየይ ብርሳስ ቀስ ብቀስ ምሉእ ከተማ ስኢለ።\" ሓሺ ኣብ ቤት ትምህርቲ ስነ ጥበብ ተማሂራ ኣይትፈልጥን። \"ኣቦይ መምህረይ እዩ ነይሩ። ስነጥበባዊ ኣይነበረን፡ ኣብ ትርፊ ግዜኡ ግን ይስእል ነይሩ። ከመይ ጌረ ከም ዝስእል ከርእየኒ ሓቲተዮ። ግን ንእሽቶይ ከለኹ ሞይቱ።\" ኣዲኣ ግን ስነ ጥበባዊት ናይ ምዃን ሕልማ ኣይደገፈትን። ንሃይማኖታ ብግቡእ ትስዕብ የላን ኢለን ዝኸስኣ ጎረባብታ እውን ኣይደገፋን። መብዛሕትኦም ኣመንቲ እስልምና፡ ንሰብን እንስሳን ዝገልጽ ስነ-ጥበብ ክልኩል ምዃኑ ይኣምኑ። \"ምስኣል ከቋርጽ ኣገዲዶምኒ። ስነ-ጥበብ ምሉእ ብምሉእ ገዲፈ ነርሲንግ ተማሂረ። ግን ኣሰልቻዊ ኮይኑ ረኺበዮ። ሓደ መዓልቲ ሰባት ብዛዕባይ እንታይ ከምዝሓስቡ ብዘየገድስ ስነ-ጥበብ ፈጺሙ ከምዘይገድፈኒ፡ ኣነ’ውን ስነ-ጥበብ ፈጺመ ከምዘይገድፎ ወሲነ።\" ሕጂ ሓሺ ካብ ስነ ጥበባ ብትረኽቦ ጽቡቕ እቶት መነባብሮኣ ክትመርሕን ሰፊሕ ስድራኣ ክትድግፍን ክኢላ እያ። እዛ ጓል 26 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሪፓብሊክ ሶማሊላንድ ዝኾነት ሃርጌሳ ትነብር። ዝተፈላለዩ ክፍልታት መንግስቲ፡ ኣህጉራውያን ትካላትን ውልቀሰባትን ስራሕ ይህብዋ። ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሶማሊላንድ ዝያዳ ኣዋልድ ናብ ቤት ትምህርቲ ንምእታው ንዝገብሮ ወፍሪ ዝሕግዙ ስልታት ክትስእል ሓቲትዋ’ዩ። \"እዛ ጓል ካብ ቤት ትምህርቲ ናብ ገዝኣ ነዊሕ ድሕሪ ምጉዓዛ ኣጣል ስድራቤት እናሓለወት ዕዮ ገዝኣ ትሰርሕ ኣላ። ኣዋልድ ጎኒ ጎኒ ናይ ገዛ ዕዮአን ክመሃራ ከም ዝኽእላ ከርኢ ደልየ እየ ስኢለዮ።\" ኣብ ቀረባ እዋን ዝተዋህባ ስራሕ፡ ነቲ ኣብ ሞቓድሾ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተመስረተ ቢላን ዝተባህለ ንደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዝኸውን መራኸቢ ብዙሓን ዝኸውን ስእሊ እዩ። ሓንቲ ጋዜጠኛ፡ መዓልታዊ ህይወተን ዘካይዳ ደቂ ኣንስትዮ ክትስእል የርእይ። ኣብ ትሕቲ እቲ ገረብ ከኣ፡ ሓሺ ስእሊ ክትስእል ትርአ። ኣብ ሶማልያን ሶማሊላንድን ናይ ስነ ጥበባውያን ናውቲ ምርካብ ቀሊል ስለዘይኮነ ኣዕሩኽታ፡ ካብ ኬንያ፡ ጅቡቲን ኪኖኡን ቀለም፡ ብራሽን ካንቫስን ንክስደደላ ክትሓትት ኣለዋ። ስነ ጥበብ ሓሺ ፖለቲካዊ እናኾነ ይኸይድ ኣሎ። ገለ ትካላት ዜናን ጋዜጠኛታትን ድማ ስርሓ ይጥቀሙሉ እዮም። ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ሶማሊላንድ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ዘጋጠመ ግጭት ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰባት ብጥይት ተቐቲሎም እዮም። \"ሓደ ፖሊስ ተኹሲ ክኸፍት ከሎ ብድሕሪ መናብር ተሓቢአን ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ዘርኢ ስእሊ ርእየ። ካብ ኣእምሮይ ከውጽኦ ኣይከኣልኩን።\" \"ሓደ ሚኒስተር ከይተዓደመ ኣብ ቀብሪ ሓደ ካብቶም ሰልፈኛታት ተረኺቡ። ሰባት ተቖጢዖም፡ ሓንቲ ሰበይቲ ድማ ብድሕሪቱ ረጊሓቶ።\" \"ሕጂ ከም ጅግና ተቓዋሚት እያ ትርአ!\" እቲ ዞባ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓሰርተታት ዓመታት ዘጋጠሞ ዝኸፍአ ድርቂ ኣብ ዝጻወረሉ ዘሎ እዋን፡ ሶማላውያን ዓቢ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢምዎም’ዩ። \"እቶም ፖለቲከኛታት፡ ዓለም ንዝጠመዩ ሰባት ገንዘብ ክሰድድ ይልምኑ\" ትብል ሓሺ። \"ድሕሪኡ ጁባኦም ይመልኡ።\" ድርቅን ምብልሻው ከባብን መበገሲ ገለ ካብቲ ረቒቕ ስእልታታ እዮም። እዚ ኣብ ሃርጌሳ ስቱድዮኣ ዝርከብ ስእሊ፡ ነቲ ዝተሰንጠቐን ዝነቐጸን መሬትን ፍሓም ንምስራሕ ዝነደዱ ክቡራት ኣግራብን ዘመልክት እዩ። ብዙሓት ስእልታት ሓሺ ሰባት መዓልታዊ ንጥፈታቶም ክፍጽሙ እንከለዉ ዘርእዩ እዮም። \"እዛ ዘላናዊት ስድራ ነቲ ፍሉጥ ጋዜጠኛ ኣገልግሎት ቢቢሲ ሶማሊ ዝነበረ ኣሕመድ ሓሰን ዓውከ እዩ ዝሰምዕ ዘሎ።\" \"እቲ ዘሕዝን ሕጂ ሞይቱ'ዩ። ሰባት ኣዝዮም ይፈትውዎ ነይሮም፡ ብፍላይ ድማ እቲ ዘገርምን ዓሚቝን ድምጹ።\" ገለ ስእልታት ኣዝዮም ውልቃዊ እዮም። \"እዚ፡ ኣነ ምስ ቫይረስ ኮቪድ እናተቓለስኩ ዘርኢ'ዩ። ኣዝየ ሓሚመ ስለ ዝነበርኩ፡ ከም ብዙሓት ኣብ ከባቢየይ ዘለዉ ሰባት ከይመውት ፈሪሐ ነይረ።\" \"ነዛ ስእሊ ድሕሪ ምስኣለይ፡ ሰባት ብኸመይ ክሓዊ ከም ዝኸኣልኩ ዝሕብር ምኽሪ ክሓቱኒ ክድውሉለይ ጀሚሮም።\" ሓደ ካብቲ ሓሺ ትፈትዎም መዘናግዒታት ናብ ገጠራት ብፍላይ ድማ ናብቲ ዘደንጹ ኣኽራናት ሸኽ ሶማሊላንድ ምኻድ እዩ። \"ኣብዚ ግዜ'ዚ ምስኣል ምስ ዘይኽእሉ ኣዕሩኽተይ እየ ዝጓዓዝ ነይረ። ናውተይ ኣካፊለዮም። ኣብ መወዳእታ እቲ መዓልቲ ድማ ኩሎም ዝገርም ስእሊ ስኢሎም። \"ስነ-ጥበብ ካብቲ ኲናት፡ ጥሜትን ሕማምን ዝብል ጽልዋታት ወጻኢ ዘሎ ሕቡእ መዳያት ህይወት ሶማል ክርኢ የኽእለኒ።\"","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cpd1k098p57o"} {"headline":"ስነጥበባዊ ሚኪኤል እምሃጽየን ‘ጀንደ’ እንታይ’ዩ ኣጋጢምዎ?","content":"ውሩይ ኤርትራዊ ስነጥበባዊ ሚኪኤል እምሃጽዮን [ጀንደ]፡ ቅድሚ ሕጂ ብዝነበሮ ስክጆታትን ሕዱር ሕማምን ናይ ምስማዕን ምርኣይን ጸገማት ስለዘማዕበለ፡ ዝለዓለ ሕክምና ንምግባር ልዕሊ ዓቕሙ ስለዝዀነ ብሰባት ንኽሕገዝ ጻውዒት ከም ዘቐረበን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሑ ቀንዩ እዩ። ኣብ ምእላይ ፊልም፡ ምምራሕ መድረኽን ተዋስኦን ካብ እውን ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ዓቢይ ዝና ዘትረፈ ሚኪኤል ጀንደ፡ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ተደራራቢ ሕማማትን ጸገም ምስማዕ’ውን ስለዘማዕበለ፡ ምስኡ ብቐጥታ ብተሌፎን ንምርኻብ፡ ንምዝርራብን ኵነታቱ ብዕምቈት ንምርዳእን ዘካየድናዮ ፈተነ ቀሊል ስለዘይነበረ፡ እቲ ሓበሬታ ሓደ ካብቶም ንዕኡ ንምሕጋዝ ዕቱብ ጻዕሪ ዘካይዱ ዘለዉ ነባሪ ሱዳን ስነጥበባዊ ሄኖክ ሃይለ ኢና ረኺብናዮ። ስነጥበባዊ ሄኖክ፡ ሚኪኤል ጀንደ ሓገዝ ንኽግበረሉ ናብ ህዝቢ ዘቕረቦ ምሕጽንታ ብመገዲ እታ ንሱ ዝውንና ቻነል ዩትዩብ ዘርጊሕዎ፣ ክሳብ ሕጂ ኸኣ ኣብ ውሑድ መዓልታት ልዕሊ 100 ሽሕ ዶላር ተዋጺኡሉ ኣሎ። ጀንደ ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ንሕክምና ናብ ሱዳን ከይዱ፡ ክሳብ ሕጂ ብወጻኢታቱ ከምኡ’ውን ቀረባ ፈለጥቱ ብዝገበሩሉ ሓገዝ ክሕከም ከም ዝጸንሐ ኸኣ ተፈሊጡ'ሎ። ስነጥበባዊ ሄኖክ ሃይለ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ጀንደ ኣብ እግሩ ክሳብ ነርቭ ዝተንከፈ ስኩጆታት ኣለዎ፣ ሕማም ቆርበት ገይሩ’ሎ፣ ኣብ ርእሲኡ ሕማም ሽኮር’ውን ስለዘማዕበለ፡ እቲ ኵነታት ጥዕናኡ ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ኣብጺሕዎ'ሎ፡” ኢሉ። ኣስዒቡ፡ “ጸገማት ዓይንን እዝንን ስለዝገበረ፡ ብቕልጡፍ ሕክምናዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ስለዝተረድኣና ኢና ንኽሕገዝ ንጽውዕ ዘለና፡” ይብል። “ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ብውልቁ ንዅሉ ወጻኢታቱ ክሽፍን ክፍትን ጸኒሑ’ዩ፣ ሕጂ ግን ልዕሊ ዓቕሙ ስለዝዀነ’ዩ ናብ ከምዚ ምርጫ ተበጺሑ።” ስለዚ፡ ነዚ ዓቢይ ስምን ዝናን ዘለዎ ስነጥበባዊ ንምሕጋዝ ኵሉ ዓቕሚ ዘለዎ፡ ብገንዘብን ሞራልን እጃሙ ክገብር ጻውዒት ይቐርብ ኣሎ። ሚኪኤል እማሃጽዮን በራኺ፡ ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ልኡል መኮነን ኣስመራ [ናይ ሎሚ ኣስመራ ሓፈሻዊ] ተማሂሩ፡ ንዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ነጥቢ ኣምጺኡ ዝነበረን፡ ንፉዕ ተማሃራይ ምንባሩን ይንገረሉ። እንተዀነ በቲ ሽዑ ዝነበረ ውዕዉዕ ሃገራዊ ምንቅስቓሳት ተደፋፊኡ፡ ትምህርቲ ንምቕጻል ከምዘይተግሀ የዕልል። ኣብ ግንቦት 1976 ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ሚኪኤል እምሃጽዮን [ጀንደ] ቅድሚ ናብ ሜዳ ምውጽኡ፡ ኣብ ውሽጢ ከተማ ተወዲቡ ይስርሕ ነይሩ’ዩ። ኣብ ድሮ’ቲ ንሜዳ ዝተሰለፈሉ’ውን፡ ምስ ብጾቱ ኣብ ማይተመናይ ዝርከብ ፋብሪካ ኮካኮላ ስርሒት ብምክያድ፡ ነታጒ ኣጻዊዶም ኣብ ልዕሊ እቲ ፋብሪካን ኣብ ልዕሊ ነቲ ፋብሪካ ዝሕልዉ ዝነበሩን ወተሃደራት ደርግን ዓቢይ ዕንወት ከም ዘውረዱ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ገሊጹ ነይሩ። ኣብ 1977፡ ብርጌድ 31 ምስ ተመደበ፡ ጕጅለታት ባህሊ ክቘማ ምስ ተወሰነ፡ ስነጥበበኛ ሚኪኤል ኣብቲ እዋን ኣብ ሓንቲ ሓይሊ ብዝገበሮ ተዋስኦ እዩ፡ ዓቕሙን ክእለቱን ኣብ ስነጥበብ ዝተለለየ። ብ 1979 ኣብ ሓንቲ ተዋስኦ ጀንደ ብዝብል ስም ምስ ተዋሃቦ፡ ክሳብ ሎሚ ን43 ዓመታት ንስሙ ኣህሲሳ በታ ጀንደ ዝብል ስም’ዩ ብዝያዳ ዝፍለጥ። ሚኪኤል ጀንደ፡ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ሙዚቃዊ ድራማታት፡ ‘ስድራ’ ዘርእስታ ዓባይ ህብብቲ ድራማን መሪሕ ጠባይ ሒዙ ክእለቱ ዘመስከረ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ምምራሕ መድረኻት፤ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ’ውን፡ ኣብ ሓያለ ድራማታት መድረኽን ፊልምታትን ከም ተዋስኣይን ኣላይን፣ መራሕ መድረኽን ኰይኑ ብምዕያይ ክእለቱ ዘርኣየ ስሙይ ስነጥበባዊ እዩ እዩ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c90gk8dyv7no"} {"headline":"ዓለም ዘጣቕዓላ፡ ሆሊውድ ዘግለላ ኰኾብ ጀኒፈር ሎፐዝ","content":"ኵሉ ትኽእሎ፤ ብቕዓት ጥበባ ንብዙሓት፡ \"ስሉሳዊ ስግኣት\" እዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይከውንን። ምኽንያቱ፡ ጀኒፈር ሎፐዝ ኣብ ኢንዳስትሪ ምዝንጋዕ ኣለው ዝበሃሉ ኵሎም ክእለታት ብሓደ ዝወነነት ስለ ዝዀነት። ተዋሳኢት፡ ደራፊትን ሳዕሳዒትን ሎፐዝ ዝያዳ እትፍለጠላ ንጽል ደርፊ 20 ዓመት ገይራ ኣላ። እታ፡ ‘Jenny from the Block’ ዝተሰምየት ደርፊ መስከረም 2002 እያ ተፈንያ። እዚ ክሳዕ ሕጂ ንእዝኒ ሰማዕቲ ዘደስት ሙዚቃ፡ ኣብ ዩትዩብ 162 ሚልዮን ሰባት ክርእዩዎ እንከለው፡ እቲ ብዝሒ ሕጂ'ውን ይውስኽ ኣሎ። እዚኣ፡ ሓንቲ ካብ ህቡባት ደርፍታት ሎፐዝ ኰይና፡ ንሳ’ውን ከም ስነ ጥበበኛ እትፍለጠላን፡ ሕላገታ ክትከውን ብጥንቃቐ ዝተሰርሐትን ደርፊ እያ። ሎፐዝ ክልተኡ ሸነኽ ህይወት እተርኢ መስትያት እያ። ዕውትቲ ኰኾብ ኢንዳስትሪ ፊልምን ሙዚቃን ኰይና እናሃለወት፡ እቲ ክብ ለጠቕ ዝበዝሖ ህይወታ ኸኣ፡ ስቕ ኢላ ምንም ነገር ብዛዕባ ዘይብላ ጓለንስተይቲ የዘኻኽረና። ደራሲ ኣንድሬ ዲዮ ኣብ ሳልሳይ ኣልበማ ዘላ ‘This is Me… Then’ እጥብል ደርፊ፡ ሎፐዝ ኣብ 2002 ምስ ኦፕራ ዊንፍረይ ንዘካየደቶ ቃለመጠይቕ መበገሲ ገይሩ እዩ ሰሪሑዋ። “መጀመርታ ጄኒ ካብ ብሮንክስ’ዩ ዝብል ነይሩ፤ ደሓር ግን ተቐይሩ። ከም J-Lo [መጸውዒ ካልኣይ ኣልበማ ገይራ ዝተጠቐመቶ] ዝብል ሳጓ’ውን ክህባ ደልየ ነይረ። ግን፡ ጄኒ ክትበሃል’ዶ ትመርጽ ትኸውን?” ክብል ዴዮ ንቢቢሲ ካልቸር ተዛሪቡ። እዚኣ፡ ኣብቲ ዓመት ብብዝሒ ካብ ዝተዘረበለን ደርፍታትን ኣብ ኣሜሪካ ን16 ሰሙናት ኣብ ሰደቓ ቢልቦርድ ዝጸንሐትን ፍሉጥቲ ደርፊ እዩ። እዛ ደርፊ፡ ካብ ካልኦት ዓበይቲ ሙዚቃታት ፖፕ [pop songs] ዝፈልያ ዝነበረ ድማ፡ ርእሰ ታሪኽ 'ታ ደርፊ፡ ካብ ፑርቶ-ሪኮ ዝጀመረ ስደት ሎፐዝ ክሳብ ኣብ ኒውዮርክ ቍሸት ብሮንክስ ዝዓበየት ደራፊት - ኣብታ ደርፊ 29 ግዜ ዘልዕል ምዃኑ'ዩ። “ሰባት፡ ልክዕ ከምቲ ንሰባት ምሕጋዝ ዝፈትው ንቦታታት ምሕጋዝ’ውን ይፈትው’ዮም። ስለዚ፡ ኣብ መንጐ ጀኒፈርን ብሮንክስን ዓቢይ ምትእስሳር ክህሉ ይኽእል’ዩ ዝብል ተሰሚዑኒ’ዩ፤ ብሮንክስ ማእከል ሂፕሆፕ ስለ ዝዀነት ማለት'ዩ” ብምባል ዴዮ ነቲ ደርፊ ጆኦግራፊያዊ ርእየት ይህቦ። እቲ ሕጡበ-ግጥሚ ድማ፡ ሎፐዝ ከም ሓንቲ ናይ መድረኽ ሰብ ምስቲ ኣብ እዋን ቍልዕነታ ዝነበረ ውርሻኣ ዝገልጽ ምትእስሳር ክህሉ ዝገበረ’ዩ። ሎፐዝ፡ ኣብቲ ሕጂ ዕንቚ ዓለም እትበሃለሉ ደረጃ ክትበጽሕ ዝመጽኣቶ ጕዕዞ ግን ኣዝዩ ነዊሕ’ዩ። ናብ ኪነ ጥበብ ካብ እትኣቱ 30 ዓመታት ተቘጺሮም ኣለው። 80 ሚልዮን ቅድሓት ደርፍታት ሸይጣ፤ ሸሞንተ ኣልበም ሰሪሓን ኣብ ልዕሊ 40 ፊልምታት ተዋሲኣን እያ። ግን ክኣ፡ ኣብ ሆሊውድ ክንድ'ቲ ዝግበኣ ቦታ ኣይረኸበትን። እዚ፡ ኣብቲ ኣብ ቀረባ ኔትፍሊክስ Halftime ዘዳለዎ ካብ 2019 ክሳብ 2020 ዝነበረ ጻዕቒ ዝበዝሖ ኵነታት ስርሓ ዝድህስስ ሰነዳዊ ምድላው፡ ብንጹር ይርአ። ሎፐዝ፡ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ፊልም ሃስለርስ ከም ዝተዋስአት ከምኡ’ውን ኣብ መድረኽ Super Bowl halftime ንብዙሓት ዘስደመመ ምርኢት ሙዚቃ ከም ዘቕረብትን ይፍለጥ። ይዅን’ምበር፡ ነዚ ክልቲኡ ዓበይቲ ዓወታት እናጸንበለት እናሃለወት፡ ሕጂ’ውን ኣብቲ ኢንዳስትሪ ዘይሰገረቶም ጸገማት ኣለው። ንኣብነት፡ ብፊልም ሃስለር ኣብ ኦስካር ክትሕጸ ዝነበረ ትጽቢት ፈሺሉ'ዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ መድረኽ Super Bowl halftime ሎፐዝ ፍጹም ዘይወሓጠላን ትጽቢት ዘይገበረቶን ውሳነ ገጢምዋ'ዩ። ኣዳለውቲ እቲ መድረኽ፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ሓደ ስነ ጥበባዊ ጥራይ ዝቈጻጸሮን ስርሑ ዘቕርበሉን ዝነበረ መድረኽ፡ ሎሚ ምስ ሻኪራ ክትካፈሎ ገይሮም። “ክልተ ሰባት ኣብ መድረኽ Super Bowl ክቐርባ ምግባር ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ውሳነ ነይሩ” ክትብል ተዛሪባ እያ። ካብ ንእስነታ ኣትሒዙ፡ ሎፐዝ ዓበይቲ ግድላት እያ ኣሕሊፋ። ናይ መድረኽ ሰብ ንምዃን ዝነበራ ሕልሚ ንምስኻዕ፡ ኣብ መወዳእታ ዓሰርታት ዕድመኣ፡ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርታ ክተቋርጾ ክትውስን እንከላ፡ ጠበቓ ክትከውን’ያ ዝብል ባህጊ ካብ ዝነበሮም ወለዳ ሓያል ብድሆ ከም ዝገጠማ ትዛረብ። ኣብ መጀመርታ 1990ታት ክኣ፡ ናይ ተልሂት ስራሕ ጀሚራ። ካብኡ ንደሓር፡ ውሑዳት ስርሓት ተሌቪዥን ረኺባ። ኣብ 1997 ግን፡ ኰኾብ ዝገብራ ዕድል መጺኡ፤ ሽዑ፡ ሴሌና ኣብ ዝብል ፊልም ኲንታኒላ-ፐሬዝ ኰይና እያ ተዋሲኣ። ኲንታኒላ-ፐሬዝ፡ ሜክሲካዊት-ኣሜሪካዊት ደራፊት ኰይና፡ ኣብ ታሪኽ መላእ ላቲን ኣሜሪካ ዓባይ ኰኾብ ዝነበረት “ንግስቲ ሙዚቃ ቴሃኖ” ተባሂላ እትፍለጥ ደራፊት’ያ። ሴሌና፡ ኣብ መበል 23 ዓመታ ብመሓዝኣ ዮልዳና ሳልቫዶር ተቐቲላ። ብ1995፡ ኣብቲ ግዜ ኣመሓዳሪ ቴክሳስ ዝነበረ ጆርጅ ደብሊው ቡሽ፡ 16 ሚያዝያ ኣብ ቴክሳስ መዓልቲ ሴሌና ተባሂሉ ክዝከር ገይሩ ነይሩ። ሎፐዝ ኣብቲ ፊልም ኲንታኒላ-ፐሬዝ ኰይና ምስ ተዋስአት፡ ሰፊሕ ናእዳ ረኺባትሉ፤ ኤልኤ ታይምስ ነቲ ስራሕ “ብርሃን ዝህብ” ክብል ገሊጽዎ። ሎፐዝ፡ ንሓደ ፊልም ሓደ ሚልዮን ዶላር ዝረኸበት ፈላመይቲ ላቲን እያ እትብል ኣቕራቢት ቢቢሲ ራድዮ-4 ኢለን ጆነስ፡ ሴሌና ሓደ ካብቶም ንሞያ ሎፐዝ ዝገርሑ ስራሕቲ’ዩ ትብል። “ሓቀኛ ልዕለ-ሓይሊ ጄኒፈር፡ ሜጋዋት ዓቕሚ’ዩ ዘለዎ። ንዕኡ’ዩ፡ ኣብ ስክሪን ክትርእያ እንከለኻ ዓይንኻ ካብኣ ኣይትኣልን። ኣብቲ ፊልም ዝነበራ እንዶ ክኣ፡ ንሓንቲ ተፈታዊት ዕንቚ ላቲኖ ለቢሳ ስለ ዝሰርሐት፡ ንሳ’ውን ዕንቊ ከም እትኸውን እያ ኣርእያ። ብተወሳኺ ላቲናዊ መንነታ’ውን ኣርእዩ’ዩ፤ በዚ ኣብ ኣሜሪካን ዓለምን ዘለው ተመልከትቲ ክተሰንፍ ክኢላ።” ሓደ ካብቶም ኣብ ሂዩስተን ኣስታት 35 ሽሕ ዕዱማት ኣብ ዝነበርሉ ሎፐዝ ኲንታኒላ-ፐሬዝ ኰይና እትዋስኣሎም ክፍልታት ዝቐረጸ ዳይሬክተር ሴሌና ግሪጎሪ ናቫ፡ እታ ፊልም፡ “ሞያ ሙዚቃ ኣሎኒ’ዩ ዝብል ሓሳብ ፈጢራትላ’ያ፤ ምኽንያቱ፡ ቅድሚኡ ሓሲባትሉ ኣይትፈልጥን፡” ይብል። ብተወሳኺ፡ ዋላ’ውን ዝወሰደቶ ሽልማት እንተዘይሃለወ፡ ሽም ሎፐዝ ንፈለማ እዋን ኣብ ሽልማታት ኣካዳሚ ተረቚሑ’ዩ። ዝዀነ ኰይኑ፡ እቲ ዕውትነት ዝተፈላለዩ ክእለታት ዘርኣየትሉ መድረኽ ተጀሚሩ፤ ኣብ ወርሒ ሰነ 1999 ድማ፡ ‘On the 6’ ዝሰመየቶ ኣልበም ፈንያ። ካብዚ እቲ፡ ‘If You Had My Love’ ዝብል ንጽል ዜማ ኣብ ኣሜሪካ ቝጽሪ ሓደ ሙዚቃ ኰይኑ። ሽፋን እቲ ኣልበም፡ ሎፐዝ ነዊሕ እጅገ ዘለዎ ሓጺር ማልያን ኩስቱሞን ተኸዲና፡ ጸጕራ ወንጨርጨር ኢሉ ኣብ ሳሎን ኰፍ ኢላ ዘርኢ ስእሊ ነይርዎ። እዚ ሸነኽ ስብእናኣ ድማ፡ ኣብ ኣእምሮ ህዝቢ ተቐሪጹ ተሪፉ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ንመድረኽ ሽልማት ግራሚ 2000 ክትመጽእ እንከላ ስእሊ ተኽሊ ዘለዎ ነዊሕን ቅልዕልዕ ዝበለን ቀምሽ ተኸዲና መጺኣ። ኣብቲ ግዜ ዝተወስደ ስእሊ 20 ዓመት ኰይንዎ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ፡ ብብዝሒ ዝተራእየ ስእሊ ቀይሕ ምንጻፍ እዩ። ድሕሪ ክልተ ዓመት [2001]፡ ‘J-Lo’ ዝሰመየቶ ካልኣይ ኣልበም ሰሪሓ፤ በዚ፡ ክሳብ ሕጂ ቍጽሪ ሓደ ኣልበምን ቍጽሪ ሓደ ፊልምን [The Wedding Planner] ዘለዋ እንኮ ጓለንስተይቲ ስነ ጥበባዊት ኰይና። ኣብ ፊልም እንተዀነ’ውን፡ ሎፐዝ ኰኾብ ዝገብራ ዝተፈለየ ክእለት ከም ዘለዋ ይእመን። ድሕሪ’ቲ፡ ብ35 ሚልዮን ባጀት ተሰሪሑ ኣስታት 100 ሚልዮን ዶላር መኽሰብ ዘምጽአ ፊልም ‘The Wedding Planner’፡ ጀኒፈር ድሕሪ 20 ዓመት ክኣ ፖለቲከኛ ራልፍ ፊነስን ካብ ብሮንክስ ዝመጽአት ወዳ ንብሕታ እተዕቢ ሰራሕተኛ ሆቴልን ዝራኸብሉ ኣጋጣሚ ዘርኢ ‘Maid In Manhattan’ ዝተባህለ ፊልም ሰሪሓ ብቕዓታ ኣመስኪራ። ህቡብነታ እናዓበየ ክመጽእ እንከሎ፡ “እቲ ኣመና ዝገርም፡ ኣብ ባህላ ዓቢይ ሓበን ዘለዋ ምዃና’ዩ፤ ብዝዀነ ኣጋጣሚ ንዕኡ ክትዋገየሉ ወይ ባህላን ሓረግ ውርሻኣን ንስለ ተፈታውነት ኢላ ናብ ናይ ጸዓዱ ክቕየር ኣይገበረትን” ትብል ኣብ ጉዳያት ባህሊ ርእይቶ እትህብ ኢሳቤል ጎንዛለዝ። ወሲኻ፡ “እኳ ደኣ፡ ኵላትና ከም ጄ.ሎ ብእንኽደነሉ መገዲ፡ ባህሊ ድንድል ክኸውን ገይራ እያ። ኣነ ከም ዝመስለኒ፡ ብባህላዊ ነጸብራቕ መልክዓ፡ ድምጻን ታሪኻን ባህሊ ላቲንን ብዙሓት መስሕብ ንኽህልዎ ኣፍደገ ኣርሕያ እያ” ኢላ። ብተወሳኺ፡ ሎፐዝ ኣብ 2001 ናይ ባዕላ ኩባንያ ብምኽፋት፡ ሆሊውድ ብዙሕ ዘይሓቝፎም ደቂ ላቲን ዝተኣናገዱሉ ዕድል ከም ዝፈጠረት ትገልጽ። ብ2003፡ ‘Gigli’ ኣብ ዝብል ገበናዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ፍቕራዊ ፊልም ተዋሲኣ። ኣብዛ ፊልም፡ ዋላ ሓደ እወንታዊ ነገር ክትረክብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ። እታ ፊልም ቅድሚ ምውጽኣ ክኣ፡ ንሳን ቤን ኣፍሌክን ሕጸ ከም ዝገበሩ ኣዊጆም፤ ግን ክኣ ድሕሪ ሓደ ዓመት ተፈላልዮም። ይዅን’ምበር፡ ዋላ’ውን እታ ፊልም ደረጃታት ቦክስ ኦፊስ ዝቈጻጸራ እንተነበረ፡ ሚድያታት ብዛዕባ ሎፐዝ ጽቡቕ ነገር ምዝራብ ዳርጋ ዝጸንቀቓሉ እዋን እዩ ነይሩ። ሽዑ፡ ብዙሓት ዛንታ ፍሉጣት ሰባት ዝሓትሙ መጽሄታትን ጋዜጣታትን ይድህሉዋን ይሓምዩዋን’ዮም ነይሮም። ቺካጎ-ሰን ታይምስ፡ ሕጂ “ዝዀነ ሰብ ብእትሰርሖ ነገራት ኣብ ዘይዓግበሉ ግዜ’ያ ትርከብ” ክብል ጽሒፉ ነይሩ። ንሳ ግን፡ ጐድኒ ጐድኒ ፊልምን ሙዚቃን ክኣ፡ መሸጢ ክዳውንትን ጨናታትን ከምኡ’ውን ቤት ብልዒ ከፊታ ጕዕዞ ህይወታ ትቕጽል ነይራ። እንተዀነ፡ ብሰንኪ እቲ ብዛዕባኣ ዝዝረብ ነገራት ኣብ ጭንቂ ጥሒላ ከም ዝነበረት ኣብ መጀመርታ 2000 ተዛሪባ ነይራ። “ንፍዕቲ ኣይኰነትን ክብሉ እንከለው ኣሚነዮም ነይረ። ኣነ ኣብዚ ኣይምጥንን፤ ስለ ምንታይ’የ ዘይእለ? እብል። ማለት ኣብ ውሽጢ ሓደ ምዕሩይ ዘይኰነ ወጽዓ ዝበዝሖ ርክብ ዘለኹ ኰይኑ ይስምዓኒ ነይሩ . . . ብዙሕ ግዜ ‘ከቋርጽ ኣለኒ’ ዝብል ስምዒት ይስምዓኒ ነይሩ” ክትብል ኣብቲ ኣብ ነትፍሊክስ ዝተፈነወ ሃፍ ታይም ተዛሪባ። ኣብ 2021፡ ዳግም ምስ ሎፔዝ ርክብ ዝጀመረ ኣፍሌክ ኣብ ቀረባ ኣብ ዝተፈነወ ሓደ ፖድካስት፡ እቶም ኣንጻራ ዝዝረቡ ነገራት “ጾታዊ” ከምኡ’ውን “ዓሌታዊ” እዮም ክብል ተዛሪቡ። እቶም ኣብ ቅድም ኢሎም ብዛዕብኣ ዝጽሓፉ ዝነበሩ ነገራት “ሕጂ ከምኡ ገይርካ እንተጽሒፍካ፡ በቲ ዝበልካዮ ነገራት ትስጐግ ኢኻ” ኢሉ። ሎፐዝ፡ ኣብ 2007 ብቛንቋ ስጳኛ ዝሰርሓቶ ኣልበም ክተውጽእ እንከላ፡ ብ2011 ድማ ዳኛ ኣሜሪካን ኣይዶል ኰይና ነይራ። ብ2019፡ ፊልም ሃስለርስ ምስ ወጽአት፡ ሎፐዝ ዳግም ዓለም ኣለዓዒላ። እዚ፡ ሓቀኛ-ድራማ ገበን ብሎፔዝ ዝተዳለወ ኰይኑ፡ ኣብቲ ፊልም ሮማና ዝተባህለት ገጸ ባህሪ ወኪላ ትዋሳእ። ብ2019-2020 ኣብ ዝነበሩ መድረኻት ሽልማት፡ ሎፐዝ ኣብ ህይወታ ንፈለማ እዋን ዓበይቲ ሽልማታት ክትወስድ እያ ዝብል ዓቢይ ግምት ተዋሂቡዋ ነይሩ። ንሽልማት ኦስካር ክትሕጸ እያ ተባሂሉ፤ በዚ ብዙሓት ግምታ ሓፍ ክብል ስለ ዝገበርዎ ልዑል ተስፋ ገበረት። ግን፡ ሕጂ’ውን ኣይሰመረን። ኣክንዳኡ፡ ሕጹያት ሽልማት ኦስካር ካልኦት ተዋሳእቲ ምዃኖም ተነጊሩ። ኵለን ጸዓዱ ነይረን። ብኻልእ ወገን፡ ሎፐዝ ንመድረኽ Super Bowl 2020 ትገብሮ ኣብ ዝነበረት ሰፊሕ ምድላው ኣብ መወዳእታ ሰዓት ምስ ኮሎምቢያዊት ሻኪራ እቲ መድረኽ ክካፈላኦ ምዃነን ክንገራ እንከሎ፡ ስምዒታ ክስበር ኣብቲ ኣብ ኔትፍሊክስ ዝቐረበ ሰነዳዊ ምድላው ይርአ። ሎፐዝ በዚ ኣይተሓጐሰትን። እቲ ምኽንያት ሻኪራ ዘይኰነት፡ እቲ ዘሕልፎ መልእኽቲ ብባዕላ “እኽልቲ ኣይኰነትን” ዝብል እዩ፡ ዝብል እምነት ስለ ዝነበራ እዩ። ኣብቲ ሰነዳዊ ምድላው፡ እተን ሚልዮናት ዝኽፈለን ስነ ጥበባውያን 12 ደቒቕ ጥራይ ክወሃባ እንከለዋ ከም ዘይተሓጐሰት ይርአ። “20 ደቒቕ’ዩ ክወሃበኒ ዝግባኦ” ክትብል ትካታዕ። ማናጀር ሎፐዝ ቤኒ መዲና ድማ፡ “ኣብ ታሪኽ ሓደ ሰብ ጥራይ ኣብ ዝቐርበሉ ዝነበረ መድረኽ፡ እቲ ስራሕ ብኽልቲአን ላቲን ክስራሕ ኣለዎ ማለት ጸርፊ’ዩ” ይብል። ጐንዛለዝ ዊተከር፡ ሕርቃን ሎፐዝ “1000 ሚእታዊት ምኽኑይ’ዩ” ትብል። “ብዓቢኡ ኣብ ኣሜሪካ ዘሎ ሰፊሕ ዓሌት ላቲን እንተርኢኻ፡ እቲ ሕብረተሰብና ሕጂ’ውን እኹል ኣፍልጦ ኣይተዋህቦን። ከም ሙዚቀኛ ጥራይ ዘይኰነ ከም ተዋሳኢትን ሳዕሳዒትን ከምኡ’ውን ኣዳላዊት ዘመዝገበቶ ዓወት ቀሊል ኣይኰነን። ንሳ መን ምዃናን እንታይ ክትከውን ከም እትኽእልን ግልጺ መልእኽቲ እዩ ዘሕልፍ” ትብል። ዝዀነ ኰይኑ፡ ሎፐዝ እቲ መድረኽ ተጠቒማትሉ’ያ። ብልጽቲ ተዋሳኢት፡ ሳዕሳዒትን ደራፊትን ከም ዝዀነት ዳግም ኣርእያ። እቲ መድረኽ ድማ፡ ክሳብ ሕጂ እቲ ብብዝሒ ዝተራእየ መድረኽ Super Bowl ኰይኑ። ሎፐዝ፡ ብ2021 ኣብ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ተዓዲማ ሙዚቃ ኣቕሪባ እያ። 'America the Beautiful' ከምኡ'ውን 'This Land is Your Land' ዝብላ ደርፍታት ሓዊሱ፡ ድምጻ ክስማዕ እትቃለሰሉ ንውርሻታታ ጠቕሊላ እትሕዘላ ‘Let's Get Loud’ እትብል ስርሓ'ውን ኣቕሪባ። ከምቲ ኣብቲ ሰነዳዊ ምድላው ነትፍሊክስ ዝበለቶ፡ “ኣይፋል መልሲ ኣይኰነን፤ ዕድል’ዩ።” እቲ ጕዕዞን ቃልስን ኣየቋረጸን። ኣብ ዙርያ ነጋዲት ሓሽሽ ዝነበረት ግሪሴልዳ ብላንኮ ዝጠመተ ፕሮጀክት ሓዊሱ ብዙሓት ፕሮጀክታት ኣለውዋ። ሽልማት ኦስካር ክኣ ዝቕጽልን ንቕድሚት ዝመጽእን’ዩ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3gw0527wg1o"} {"headline":"ሰዓረ ፍጹም፡ 'ብህዝቢ ዝተሓረየ ተዋስኣይ ተሸለሚ ሰቱጌ' ኰይኑ","content":"ኤርትራዊ ተዋስኣይ ሰዓረ ፍጹም፡ ‘ሰዓረ’ ኣብ ዘርእስታ ሓጻር ፊልም ብዝተላበሶ ገጸባህሪ፡ በቲ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝመደበሩ ንኣፍሪቃውያን ተዋሳእቲ ዝሽልም ኣህጉራዊ ሽልማት ሰቱጌ፡ ዝበለጸ ናይ 2022 ብህዝቢ ዝተሓረየ ተዋስኣይ ብምዃን ተሸላሚ ኰይኑ። ተዋስኣይ ሰዓረ ፍጹም፡ ኣብ ዝበለጸ ተዋስኣይ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ወርቃዊ ሽልማት ንዝበለጸ ተዋስኣይ ኣፍሪቃ ከምኡ’ውን ብህዝቢ ዝተሓረየ ዝበለጸ ተዋስኣይ ኣፍሪቃ ኣብ ዝብል ዓውድታት’ዩ ንሽልማት ተሓጽዩ። እቲ ወዲ 28 ዓመት ስነጥበባዊ፡ ካብ ህጻንነቱ ኣትሒዙ ኣብ ዓውዲ ስነጥበብ'ኳ እንተኣተወ፡ ካብ 2015 እትሒዙ እዩ ብሞያዊ መገዲ ኣብ ፊልም ክዋሳእ ከምዝጀመረ ዝገልጽ። ሰዓረ፡ ሽልማት ዝወሰደሉ ጽንብል ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ናብ ቡርኪናፋሶ ምምጽኡ ብዙሕ ትምህርቲ ከምዝቐሰመ ብምግላጽ፡ “እዚ ከምዚ ዓይነት ሽልማት ህዝቢ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደ ንኽሰምር ዕድል ዝፈጥር እዩ፡” ኢሉ። እዚ ወዱ ነቲ ብወዲ መምህር ዝፍለጥ ብሪጋደር ጀነራል ፍጹም ገብረህይወት ዝዀነ ተዋስኣይ፡ “ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ጥምየት፡ ኵናትን ካልእ ሕማቕ ነገራትን ዝቕየረሉ ግዜ ሕጂ እዩ፣ ክቕየር’ውን ጀሚሩ ኣሎ፡ ምኽንያቱ ንሕና እቶም ሓደሽቲ ወለዶ እዛ ኣህጉር ኢና፡ ዓወት ኸኣ ናይ ሓፋሽ’ዩ፡” ኢሉ። ኣባል 26 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሰዓረ፡ መጀመርታ ዝተዋስኣላ ፊልም ብዘርእሰናይ ዓንደብርሃን ዝተሰርሐት ፊልም \"ፍቕሪ ሎሚ ቕነ\" እትብል ኰይና፡ ብኡ ብዝጀመሮ ሞያ ክሳብ ሕጂ ኣብ 23 ዝተፈላለያ ፊልምታት ኤርትራ ከምዝተዋስአ’ዩ ዝገልጽ። ሰዓረ፡ ኣብታ ብደበሳይ ወልዱ ዝተደርሰት ኣብ ተለቪዥን ኤርትራ ንነዊሕ ክፋላት ዝቐጸለት ተኸታታሊት ፊልም ማጨሎ፡ ክእለቱ ከም ዘንጸባረቐ እዋን ይግለጽ። እታ ሰዓረ ዝተሸለመላ ሓጻር ፊልም ‘ሰዓረ’፡ ኣብ ሓቀኛ ዛንታ ዝተመርኮሰት ፊልም ኰይና ብዮሃንስ ኣብርሃ ዝተደርሰትን ዝተኣልየትን እያ፤ ሕመረት ዛንታኣ ኸኣ፡ ነቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ኵናት ምርኵስ ዝገበረት’ያ። ሰቱጌ ኣዋርድ ካብ ዝጅመር ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ክሽልመ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ንሻውዓይ ግዜኡ ዝተኻየደ እዩ። ኣብቲ ካብ 9 ክሳብ 12 ሕዳር ዝተኻየደ ናይ ምሽላም ስነስርዓት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ፊልም 42 ተዋሳእቲ’ዩ ተሓጽዮም ነይሮም። ፕረዚደንት ሽልማት ሰቱጌ ከቪን ሞን፡ ቀንዲ ዕላማ ሰቱጌ፡ ኣብ ኣፍሪቃን ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ብኣፍሪቃውያን ዝፈሪ ብሉጽ ፊልምታት ኣፍልጦን ሽልማትን ምሃብ ምዃኑ ገሊጹ ኣብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ሽልማት ገሊጹ። ኣብ 2021 ኤርትራዊት ተዋሳኢት ዊንታ ገብረእግዝኣብሄር እውን፡ ኣብ ተኸታታሊት ፊልም ማጨሎ ብዝተላበሰቶ ገጸ ባህሪ ብጽላት 'በስት ሆፕ ኣፍሪካን ቲቪ ሾው' ንሽልማት ተሓጸያ ምንባራ ይዝከር።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cx76217eq99o"} {"headline":"ህጻናት ኢትዮጵያ፡ ተዘክሮኦም ኣብ ግጭት ብስእሊ ይገልጹ","content":"እዮብ መርጊያ፡ ብሰንኪ'ቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠሙ ግጭታት ተመዛቢሎም፡ ደብረብርሃን ኣብ ዘለዉ ግዜያዊ መዓስከራት ዝነብሩ ዘለው ህጻናት፡ “ገዛና ኣበይ እዩ?” ብዝብል ሓሳብ ተዘክሮታቶም ንኽነግርዎን ብስእሊ ንኽገልጹን ሓቲቱ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ሕድሕድን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝተኻየዱ ግጭታትን ዘስካሕክሑ ነገራት ተፈጺሞም እዮም። ኣብ አሜሪካ ዝነብር እዮብ፡ እቲ ህጻናት ዝሰኣልዎም ልዕሊ 900 ስእልታት ዝሓዘ ፕሮጀክት፡ ንቐጻሊ ኣብ ዝገብሮ መጽናዕቲ እታው ከምዝኾኖ ይሕብር። እቶም ህጻናት ካብ ዝሰኣልዎም ስእልታት እቲ ሓደ፡ ዕጡቓት ንሓንቲ ኣደ ክቐትልዋ ከለዉ ደው ኢሎም ዝዕዘቡ ህጻናት የርኢ። ኣብዚ ፕሮጀክት ካብ ዝተሳተፉ ህጻናት ልዕሊ 90 ሚእታዊት ካብ ወለጋ ዝተመዛበሉ እዮም። እዮብ፡ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ሕድሕድ ዝምልከት'ውን ተመሳሳሊ ፕሮጀክት ኣካይዱ ነይሩ። ንሱ፡ “እዞም ህጻናት ገዛኦም ክቃጸል ከምኡ’ውን ወለዶም፡ ኣዝማዶምን ጐረባብቶምን ክቕተሉ፡ ክጠምዩን ክመዛበሉን ዝረኣዩ እዮም” ይብል። “እቶም ህጻናት ዝሰኣልዎም ስእልታት፡ ቋንቛ፡ ፖለቲካ፡ ማሕበራውን ባህላውን ደረታት ዝሓለፉ እዮም። እዞም ስእልታት ናብ ገዛእ ርእስና ንኽንምለስ ዕድል ከምዝህቡና ይሓስብ” ክብል ተስፋኡ ይገልጽ። ወሲኹ፡ እቶም ህጻናት ንዝሰኣልዎም ስእልታት ብምርኣይ ብናይ ምዝካር ክእለቶም ከምዝተገረመ ይሕብር። ኣብ ከተማ ደብረብርሃን ተወሊዱ ዝዓበየ እዮብ፡ ኣብቶም መዓስከራት ዝነብሩ ልዕሊ 45 ሽሕ ተመዛበልቲ፡ ዝስተ ማይ፡ ሕክምናን ካልኦት መሰረታዊ ቀረባትን ከምዘይብሎም ብምግላጽ በቲ ኵነታት ከምዝሓዘነን ይዛረብ። ንሱ ከምዝብሎ፡ እቶም ህጻናት ብዝተፈላለዩ ሕማማት ዝተሃሰዩ እዮም። ስለዝዀነ’ውን ምስ ቤተሰቡን ፈተውቱን ብምትሕብባር ዝከኣሎ ሓገዝ ኣወፍዩ'ሎ። “ንሕና፡ ሓገግቲ፡ ወሰንቲን መራሕትን ካብቶም ህጻናት ትምህርቲ ክንወስድ ይግባእ” ብምባል ስነጥበብ ሰባት ኣብ እዋን ኲናት ዘሕልፍዎ ላዕልን ታሕቲን ዝገልጽሉ ሓደ መገዲ ከምዝዀነ ይሕብር። ገሊኦም ንፕሮፖጋንዳ ዘውዕልዎ'ኳ እንተዀነ፡ እዞም ህጻናት ግን ዝረኣይዎን ዝተሰምዖም ስምዒትን እዮም ገሊጾምሉ። እዮብ፡ እቶም ህጻናት ዝሰኣልዎም ስእሊታት ኣብ ላስ ቬጋስ ከምኡ’ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ህዝባዊ ምርኢት ንምቕራብ ቅድመ-ምድላው ኣብ ምግባር ይርከብ። ነቲ ፕሮጀክት ዝምልከት ዶክመንታሪ ፊልም፡ ኣብ ጳጉሜን ናብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሂዩማን ራይትስ ዋች፡ ከምኡ’ውን ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘቕርብ ንቢቢሲ ገሊጹ’ሎ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cy98z20vv4eo"} {"headline":"ናጽነት ሓሳባት ንምድንፋዕ ዕላማ ሒዙ ኣብ ሽወደን ዝተመስረተ ኤርትራዊ ትካል ‘እምኵሉ’","content":"ጀርመናዊ ጆንስ ጉተንበርግ ኣብ 1430ታት ናይ መጀመርታ መሳርሒት ሕትመተ ከምዝመሃዘ’ዩ ታሪኽ ዝገልጽ፤ እንተዀነ ካብ 9ይ ክፍለ ዘመን ኣትሒዞም ቻይናውያን ኣብ ጣዋሉ ጽሑፋት ይሓትሙ ከምዝነበሩ’ውን ይንገር’ዩ። ምስ ምትእትታው ሕትመት ዓለም ብዝተፈላለየ መልክዕ ክትልወጥ ከምዝኽኣለት ይፍለጥ። ዓለምለኻዊ ዛዕባታት ካብን ናብን ኣብ ምብጻሕ፡ ሰውራ ሳይንስ ኣብ ምጉልባት፡ ዕቡሳት ድምጺታት ከምዝስምዑን ሰውራታት ለውጢ ንኽልዓሉን ምምጻእ ሕትመት እጃሙ ገይሩ እዩ። ስርሓት ሕትመት፡ ዘገም እናበለ ናብ ኤርትራ ገጹ ክኣቱ ጀመረ - ኣብ እምኵሉ። ኣብ 1860ታት ሚስዮናውያን ሽወደናውያን ካብ ባጽዕ ንሸነኽ ምዕራብ ኣስታት ሓሙሽተ ኪሎሜተር ርሒቝ ዝርከብ እምኩሉ ዝተባህለ ቦታ ሚስዮናዊ ንጥፈታቶም ዘካይዱሉ እዩ ዝነበረ። ሽወደናውያን፡ ትካላት ትምህርትን ሕክምናን ኣብቲ ቦታ መስሪቶም፡ ብዙሓት ካብ ጊላነት ተገላጊሎም ትምህርቲ ክቕጽሉን ክሳብ መምሃራን ኰይኖም መጻሕፍቲ ክትርጕሙ ኣብቂዖም እዮም። ጋዜጠኛ ቴድሮስ ኣብርሃም፡ ነዚ መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ሽወደን ዝመስረታ ኣሕታሚ ትካል፡ ‘እምኵሉ’ ኢሉ ብምስማይ እቲ ታሪኻዊ ቦታ ክዝከር ገይሩ እዩ። “እቲ ቦታ ብቛንቋታት ትግርኛ፡ ትግረ፡ ኣምሓርኛን ኦሮሞን’ውን ብዙሕ ስራሓት ዝተሰረሓሉ ቦታ’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ “ካብኡ ሓሊፉ፡ ናይ መጀመርታ ትካል ሕትመት ኣብ ባጽዕ - ርእሲ ምድሪ - ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሽወደን ክምስረት ክኢሉ’ዩ፤ እቲ ካልኣይ ከኣ ኣብ እምኵሉ’ዩ ተመስሪቱ” ይብል ቴድሮስ። ቴድሮስ፡ እተን ኣብ ባጽዕን እምኵሉን ንመጀመርታ ግዜ ዝተመስረታ ትካላት ሕትመት ኣብ ምብራቕን ኣብ ቀርንን ኣፍሪቃ እተን ናይ መጀመርታ ትካላት ከምዝዀና’ውን ይገልጽ። “እታ መጀመርታ ኣብ ኤርትራ ዝተሓትመት ‘መልእኽተ ሰላም’ እትብል ጋዜጣ ትግርኛ’ውን በታ ኣብ እምኵሉ ዝተመስረተት ድሒራ ግን ናብ በለዛ ዝግዓዘት ቤት ማሕተም’ያ ተሓቲማ።” ጋዜጠኛ ቴድሮስ ኣብርሃም፡ ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየን ዝተማህረን፣ ከም ጋዜጠኛ መምህርን ኰይነ ዝሰርሐን፣ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ከኣ ኣብ ስነጽሑፍን ምስኡ ዝተኣሳሰር ንጥፈታትን ክዋሳእ ጸኒሑ። ናይቲ ኣብ 2014 ኣብ ስደት ብዝርከቡ ኤርትራውያን ዝተመስረተ ‘ፐን ኤርትራ’ ትሬዠረር ኰይኑ ኸኣ ንሓያለ ዓመታት ሰሪሑ። ቴድሮስ ኣብ ሽወደን ኣብ መንግስታዊ ስራሕ እናሰርሐ፡ ኣብ ትርፊ ግዜኡ ኣብቲ ብ 2018 ዝመስረቶ  ኣሕታሚ ትካል እምኩሉ የካይድ። “እምኵሉ  2018 ጀሚሩ ኣብ 2019 ከኣ ናይ መጀመርታ መጻሕፍቲ ኣሕቲምና፤ ክሳብ ሕጂ ኸኣ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ልዕሊ 30 መጻሕፍቲ ኣሕቲምና ኣለና” ይብል። ቴድሮስ ኣብርሃም እቲ ስራሕ ክብገስ እንከሎ ምስ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝረከቡ ብጾቱ ዳህሳስ ብምክያድ፡ ኣሕታሚ ትካል ከበግሱ ኣብ ሓደ ሓሳብ ከምዝበጽሑ ብምግላጽ፣ ዝነብሩሉ ቦታታት በበይኑ ስለዝዀነ ግን ክሰልጦም ከምዘይከኣለ ይሕብር። “ብድሕሪኡ ንበይነይ ተበጊሰ፣ ኣብ ስራሕ ትተሓጋገዘኒ በዓልቲ ቤተይ ኣላ፡ ከምኡ’ውን ብኽእለቶምን ብፍለጠቶምን ዝሕግዙኒ’ውን ኣለዉ” ይብል። ኣብ መስርሕ ምሕታም መጽሓፍቲ፡ ኣብ ኣርትዖት ዲዛይን ገበርን ቅርጺ መጻሕፍን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኰይኖም ሓቢሮምዎ ዝሰርሑ ሰባት ከም ዘለዉን ንዅሉ ስራሓት በይኑ ከምዘይዓሞን ከኣ ይገልጽ። ንምንታይ ኣሕታሚ ትካል ክምስርት ከምዝሓሰበ ክገልጽ እንከሎ፡ ቴድሮስ፡ “ኣብ ዓድና ናይ ሕትመት ስራሓት መብዛሕትኡ ግዜ ብውልቀ ሰባት’ዩ ዝስራሕ፣ ደራሲ ባዕሉ ጽሒፉ ባዕሊ ኣጻፊፉ ባዕሉ ኣርቲዑ’ዩ ናብ ሕትምት ዝቐርብ፤ እዚ ኸኣ ብዙሕ ጸገማት ዘስዕብ’ዩ” ይብል። ነዚ ብኣብነት ከሰንዮ እንከሎ፡ “ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብመንግስቲ ዝውነን ኣሕታሚ ሕድሪ’ዩ ዘሎ። ንሱ ዝህቦ ኣገልግሎት ከኣ ብ ዕላማታቱ ስለዝቕየድ፡ ንዅሉ ኣገልግሎት ኣይህብን እዩ፤ ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ደገ ዘሎ ሰብ ክሽገር ንርእዮ ስለዝነበርና፡ ነዚ ንምፍታሕ ኢና ኣንቂልናዮ” ይብል። ኣተሓሒዙ፡ “ኣብ ዓድና ከምእንፈልጦ፡ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ስለዝተነፈግና ብዙሓት ጸሓፍቲ ካብ ዓድና ስለዝወጻእና ብዙሓት ጽሑፋቶም ኣብ ኢዶም ክሕዝዎ’ዮም ተገዲዶም፤ ነዚ ንምፍታሕ ከኣ እምኩሉ ክትምስረት ክኢላ። ከም መትከል ንሰርሓሉ ኸኣ፡ ጽፉፍ ዝዀነ ስራሕ፡ ንታሪኽ ንባህሊ ኣብ ምስናድን ኣብ ምብርባርን ብዝሓሰረ ዋጋ ንሰርሕ ኣለና።” እምኩሉ ክሳብ ሕጂ ብዝሰርሖ ስርሓት ካብቲ ክብገስ እንከሎ ዝሓንጸጾ ውሑድ ጥራይ ዓሚሙ ከምዘሎ ዝሕብር ቴድሮስ፡ እንተዀነ፡ ክሳብ ሕጂ ብዝሰርሕዎ ዕጉባት ምዃኖም ይገልጽ። እቲ ዝዓበየ ነገር ከኣ እቲ ትካል ተበጊሱ ክቕጽል ምኽኣሉ እዩ፡ ይብል። እንተዀነ “ካብ ሱርናን ካብ ህዝብናን ርሒቕና ንሰርሕ ስለዘለና፡ ነቲ ኣንባቢ ከምድላይና ክንብጽሖ ዘይምኽኣልና ሓደ ካብቲ ሕጽረታት’ዩ” ብምባል እቲ ዘሎ ጸገም ይገልጽ። ኣብ ዓለም መዓልታዊ ብማእከላይ ገምጋም ኣስታት 2700 መጻሕፍቲ ከምዝሕተም’ዩ ሰነዳት ዝሕብር። እዚ ቍጽሪ እዚ ብደረጃ ዓለም ኰይኑ፡ ኤርትራውያን ደረስቲ ኣብ ዓመት ክንደይ መጻሕፍቲ የሕትሙ ዝገልጽ ጸብጻብ’ኳ እንተዘይሃለወ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ግዳምን ዝሕተም ሓያለ መጻሕፍቲ ኣሎ። ኣሕታሚ እምኩሉ፡ ንዝኽተሎ መስርሕ ኣመራርጻ መጻሕፍቲ ክገልጽ እንከሎ፡ ቴድሮስ፡ “እወ መሪጽና ኢና ነሕትም፤ ገለ ብውልቈም ከሕትሙ ንዝደልዩ ኣብ ምጽፋፍ ንሕግዞም’ውን ኣለዉ” ይብል። ኣተሓሒዙ ነቲ ዝኽተልዎ መለክዒታት ኣመልኪቱ፡ እቲ ትካል ናይ ኤርትራውያን ብምዃኑ ንኤርትራ ዘገድሱ ዛንታታት ማእከል ዝገበረን፡ እቲ መበገሲ ብቕዓት ጽሑፍ ኣገዳሲ ረቛሒ ምዃኑን’ውን የብርህ። ኣብ ዝተወሰነ ሕብረተሰብ ተጸኒዖም ዝተዳለዉ፡ ብኸመይ ትሕጐስ? ብኸመይ ትህብትም? ወዘተ ዝብሉ፡ መጽሓፍቲ ‘ርእስኻ ሓግዝ’ - 'ሰለፍ ሀልፕ'፡ ኣብ ሕብረተሰብና ብዙሕ ተግባራውነት ዘይብሎም እንተዀይኑ፡ እቲ ኣሕታሚ ትካል ከምዘይመርጾም ቴድሮስ የረድእ። ንኽሕተም ናብቲ ትካል ዝቐረበ ጽሑፍ፡ ውሳነ ንምሃብ ሰለስተ ሰባት ብተናጸል ከምዝርእይዎ ዝሕብር ቴድሮስ፡ ንመለክዒታቶም ዝበቅዕ እንተዀይኑ ጥራይ ናብ መስርሕ ኣርትዖት፡ ምጽፋፍን ማሕተምን ከምዝኣትዉ ይገልጽ። “ክሳብ ሕጂ ካብ ዝመጽኣና፡ ካብቲ ዘሕተምናዮ ዝገደፍናዮ ይበዝሕ። እቲ ብኣና ዝሕተም ባዕልና ኢና ነርትዖ፡ ኣብ ቋንቋ ንግደስ ኢና፣ ብትግርኛ ዝግለጽ ነገር ካልእ ባዕዳዊ ቋንቋ ክሕወሶ ኣይንደልን” ይብል ቴድሮስ። ኣሕታሚ እምኩሉ ክሳብ ሕጂ ብትግርኛ፡ ትግረ፡ ብእንግሊዝኛ፡ ብኣምሓርኛ ብቋንቋታት ሽወደንን ኖርወይን ብሓፈሻ 35 ዝኸውን መጻሕፍቲ ባዕሎም ኣርቲዖም ከምዘሕተሙን፤ ልዕሊ 20 ኸኣ ብኻልኦት ኣርትዖት ተገይሩሎም ብኣሕታሚ እምኩሉ ዝተሓተሙን እዮም። ኣብ ኣሕታሚ እምኩሉ ካብ ዝተሓተሙ መጽሓፍቲ፡ “ዝሑል ኲናት” ትብል ብደራሲ ዓብዱሰላም መሓመድ ጻዕዳ ተደሪሳ፡ 3000 ቅዳሓት ተሓቲማ ዝተዘርግሐትን፡ ክሳብ ሕጂ እታ ዝበዝሐ ቅዳሓት ዝተሓትመት መጽሓፍ ከምዝዀነት ቴድሮስ ይሕብር። “ካብ ዘሕተምናየን መጻሕፍቲ ናይ ይርግኣለም ፍስሃ ናይ ግጥሚ መጽሓፍ ክሳብ 2000 ቅዳሓት ተሸይጣ ኣላ፤ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ መጀመርታ ክሳብ 500 ቅዳሕ ኢና ነሕትም። ናይ ደንደን ሰሎሙን “ንጉስ ገበን” እትብል መጽሓፍ ከኣ ክልተ ግዜ ክትሕተም ክኢላ” ይብል ቴድሮስ። ኣንበብቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ እምኵሉ ኣትዮም ዝኣዘዝዎ መጽሓፍን ብዝሕን፡ ናብ ኣድራሻኦም - ኣብ መላእ ዓለም ብፖስታ ከም ዝለኣኸሎም፡ ቴድሮስ ይገልጽ። “ናብ መላእ ዓለም ኢና ንሰድድ፡ ኣብ ውሽጢ ሽወደን ምእኩል መከፋፈሊ መጻሕፍቲ ስለዘሎ ንሶም ገዚኦም ናብ ኣብያተ ንባብ የከፋፍልዎ። ኣብ ኖርወይ፡ ስዊዘርላንድ፡ ፊንላንድን ሃገራዊ ኣብያተ ንባብ ስለዘሎ ንሶም ይእዝዙ ብመንገዶ ከኣ ይዝርጋሕ፡” ኣብዚ ጉዳይ ምዝርጋሕ፡ ትካል እምኵሉ ኣብ ኣሜሪካን ካናዳን ካናዳን ምስ መምህር መኮነን ተስፋይ [ሰማያት] ተሓባቢሩ ይሰርሕ ስለዘሎ፡ ብዙሕ ከም ዝተቓለለ፤ኣብ ሃገራት ጀርመን፡ እስራኤልን ካልእን ሃገራት ኣዝዮም ብዙሓትን ግዱሳትን ውልቀሰባት ኣብ ምዝርጋሕ ከም ዝተሓባበርዎም እቲ ኣካያዲ ስራሕ ይገልጽ። ቴድሮስ ኣብርሃም ከም ዝብሎ፡  ኣብ እምኩሉ ካብ ዝተሓተሙ ሓያለ መጻሕፍቲ ብዝተፈላለየ መገዲ ናብ ኤርትራ’ውን ይኣትዉን ይንበቡን ኣለው። ብዘይካ ሕትመት መጽሓፍቲ፡ እምኵሉ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ክልተ ብኤሌክትሮኒካዊ መገዲ ዝተዘርግሓ መጽሔታት ኣዳልዩ ምንባሩ ብምሕባር፡ ቴድሮስ፡ ሕጂ ኸኣ ‘መናራ’ ዝብል ስም ዝሃብዋ ርብዒ ዓመታዊት መጽሔት ምስ ካልኦት ብጾቱ ብምዃን ኣዳልዮም ናብ ኣንበብቲ ዘርጊሖም ከም ዘለው ይገልጽ። እዛ ኣብ ስነጽሑፍ፡ ታሪኽን ባህልን ዘተኮረት መጽሔት፡ ብዲጂታላዊ መገዲ ትዝርጋሕ ኰይና፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ግዱሳት ኣንበብቲ፡ ብመገዲ መርብብ ሓበሬታ እምኩሉ ገዚኦም ከንብብዋ ከምዝኽእሉ፡ ዋናን ኣካያዲ ስራሕን ኣሕተምቲ እምኵሉ ቴድሮስ ኣብርሃም ይሕብር።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cmm6572q6jro"} {"headline":"ድቅስቲ ንዝነበረት ከተማ ውርይቲ ዝገበረ ጌጋ ሓንቲ ኣደ እንታይ እዩ?","content":"እታ ከተማ ዘይኮነት፡ ሓንቲ ኣደ እየ ተጋግየን። ጌጋ ብጌጋኡ ልክዕ ቀይሕ መስመር ከም ምሕላፍ ዝቝጸር ኣዝዩ ከቢድ ጌጋ። እተን ኣደ፡ ኣብ ሓደ ቤተክርስትያን ንዝርከብ ስእሊ ከሐድሶ ኣለኒ ብዝብል ወነ እየን ነቲ ተግባር ፈጺመንኦ። እቲ ስእሊ ተራ ስእሊ ዘይኰነስ፡ ካብ ዝሰኣል ሚእቲ ዓመት ዘሕለፈ ውሩይ ምስሊ እየሱስ ክርስቶስ ኰይኑ፡ ጲላጦስ ካብ ‘ደም እየሱስ ንጹህ እየ’ ዝበለሉ ስእሊ እዩ። እቲ ስእሊ ከኣ ንልዕሊ ሓደ ዘመን ኣብ መንደቕ ‘ቲ ቤተ ክርስትያን ተሰቒሉ ዝነበረ እዩ። እተን ኣብቲ ቤተ ክርስትያን ዝሳለማ ኣደ እምበኣር፡ ነቲ ምስሊ ከሐድሶ እየ ብማለት፡ ‘ኣምላኽ’ኳ ባዕሉ ይቕረ ዘይብሎ’ ዝተባህለሉ ጌጋ ከም ዝፈጸማ እዩ ዝንገር። እዘን ኣደ፡ ኣብቲ ኣዘውቲረን ዝኸድኦ ቤተ ክርስትያን ተሰቒሉ ንዝነበረ፡ ዝተለሓጸጸ ምስሊ እየሱስ ክርስቶስ ስለዘሕዘነን፡ ብመልከዪ - ብራሽ ከመሓይሻኦ ወሲነን። እየሱስ፡ ቅድሚ ምስቃሉ ኣኽሊል ዕሾኽ ተገይርዎ ናብ ዝርአ ምስሊ ቀሪበን፡ ማንም ከይረኣየን ቀለም በጽቢጸን ብብራሽ ለማሚጸንኦ። እቲ ኣብቲ ቤተክርስትያን ዝተሰቕለ ምስሊ ክርስቶስ ተበላሽዩ፣ እቲ ፍጻመ ኸኣ ንብዙሕ ሰብ ኣሕዚኑ። ማዕከናት ዜና’ውን ከም ልሙድ ነቲ ፍጻመ ኣንበድቢደንኦ። እቲ ስእሊ ንነዊሕ ዓመታት ዝተወደሰ ክቡር ስእሊ እዩ፤ ተበላሽዩ ተባሂሉ ምስ ተነግረ፡ ሰኣልቲ ዓለም ተቓውሞኦም ኣስሚዖም። ስራሕ እቲ ውሩይ ቀባኢ ኤሊያስ ጋርሺያ ማርቲኔዝ ከመይ ኣቢሉ፡ “ብሓንቲ ዕብዲ ኣረጊት ሰበይቲ ይድፈር?” ተባሂሉ ተዘሪቡ። ተሳላሚት ‘ቲ ቤተ ክርስትያን እየን። ግን ከኣ እቲ ንዓመታት ኣብ መንደቕ ዝተሰቕለ’ሞ ዝደብዘዘ ስእሊ ክርስቶስ ኣጕህይወን። ንኸመሓይሽኦ ብዝገበርኦ ፈተነ ከኣ’ዩ እቲ ታሪኽ ዝቐየረ ፍጻመ ኣጋጢሙ። ንሰን ንጽቡቕ እየ ሓሲበ፣ ካልእ ዕላማ ኣይነበረንን፣ ንእየሱስ ደንጊጸናሉ። እቲ ተግባር ከኣ’ዩ ንቐባእቲ ዓለም ባህ ዘየበለ። እቲ ፍጻመ መዓስን ኣበይን ምዃኑ ንምፍላጥ ናብታ ክንድ’ቲ ዘይትፍለጥ ከተማ ምእታው ኣድላዪ እዩ።  ብዙሕ ሰብ’ዩ ነቲ ጉድ ዝተባህለሉ ፍጻመ ክርኢ ዝውሕዝ ዘሎ። እታ ከተማ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ስጳኛ፡ ንከተማ ማድሪድ ሓሊፍካ፡ ኣብ ጥቓ ከተማ ዛራጎዛ እያ እትርከብ። ንነበርታ ቈጺርካ ክትውድኦም ፍርቂ መዓልቲ ጥራሕ እዩ ዝኣክል፤ ሓሙሽተ ሽሕ ሰብ ጥራይ እዩ ዝነብረላ። ቅድሚ እቲ ፍጻመ ብዘይካ ብነበርታ ብዙሕ ፍልጥቲ ከም ዘይነበረት እዩ ዝንገር። ሕጂ ግና ዕደመ ነተን ኣረጊት ምስኪን ሰበይቲ፡ ታሪኻ ተቐይሩ እዩ። እታ ከተማ ፈጺሙ ትጽቢት ብዘይተገብረሉ መገዲ ህብብቲ ኰይና’ላ። በጻሕቲ ዓዲ ዕረፍቲ የብሎምን። ምስተን ፍሉጣት ከም በዓል ባርሴሎና ተመዓራርያ’ላ። እታ ንእሽቶ ከተማ እምበኣር፡ ቦርዣ እያ ትበሃል። እቲ ውሩይ ስእሊ እየሱስ ክርስቶስ፡ ሳንቹሪዮ ዲ ላ ሚዜሮኮርዲያ ኣብ ዝበሃል ካቶሊካዊ ቤተ ክርስትያን ‘ታ ከተማ እዩ ዝርከብ። እቲ ስእሊ፡ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘበን ዝተሳእለ ኣዝዩ ክቡርን ተፈታውን ስነ ጥበባዊ ስራሕ እዩ። እንተዀነ ኣሪጉ እዩ። ምእራጉን ምድብዛዙን ዘተሓሳሰበን ኣደ ከኣ እየን፡ ኣብ 2012 ከመሓይሻኦ ኢለን ብብራሽ ዝኣተውኦ። እቲ ስእሊ ኢቼ ሆሞ (Ecce homo) ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ። ትርጕሙ፡ ‘ነዚ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትውዎ’ ማለት እዩ። ብትሕዝቶ ክግለጽ እንከሎ ከኣ ነቲ ጲላጦስ፡ “ካብ ደም ክርስቶስ ንጹህ እየ” ዝበለሉ ህሞት ዝነግር እዩ። እቲ ስእሊ፡ እየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ምስቃሉ ኣብ ርእሱ ዝተደፍአ ዕሾኽ ኣኽሊል ዘርኢ እዩ። እተን ኣደ፡ ሴሲሊያ ጊመነዝ እየን ዝበሃላ። ሽዑ ጓል 80 ዓመት ሽማግለ ዝነበራ ኰይነን፡ ሕጂ ግና ተስዓ ዓመት ኣሕሊፈን። ዝተበላሸወ ስእሊ እየሱስ ከሐድሶ እየ ብማለት ከኣ ቈልዓ ዝተጻወተሉ ደብተር ኣምሲለንኦ። ሽዑ ብዙሓት ጋዜጠኛታት፡ “ካብ እየሱስነት ናብ ምስሊ ህበይ ዝተለወጠ” ብምባል ቍጥዖኦም ገሊጾም ነይሮም። ማሕበራዊ ሚዲያ ብኣሽሙርን ሽምጠጣን መሊኡ። ብዙሓት ተዋዘይቲ ነቲ ፍጻመ ንሰሙን መመላእታ ተቐባቢሎምሉ። ተግባር እተን ኣደ ተግባር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ንዓመታት መላገጺ ኰይኑ። ኣስታት 120 ዓመታት ኣብ ዝዕድመኡ ስእሊ ዝተፈጸመ ዕንወት ከቢድ ቍጥዐ ፈጢሩ። ኣብቲ እዋን ነቲ ስእሊ መን ከምዘበላሸዎ ስለዘይተፈልጠ እታ ሃገር ዕግርግር ኣትይዋ፤ ፖሊስ ውሳነ ማእሰርቲ ኣሕሊፉ። ኒውዮርክ ታይምስን ቢቢሲን ከይተረፉ፡ ‘ሸፋቱ ኣብቲ ታሪኻውን ስሙይን ስእሊ ዕንወት ኣውሪዶም’ ኢሎም ጽሒፎም። በዚ ኸኣ’ዩ እቲ ጉዳይ ኣቓልቦ ዓለም ስሒቡ። ዳሕራይ ሓንቲ ምርኩስ ዝሓዛ ሴሲሊያ ጊመነዝ ዝተባህላ ሽማግለ፡ ንፖሊስ ኢደን ሂበን። እቲ ዝገርም ግና እተን ኣደ እየን ዝያዳ ሓሪቐን። እንታይ ኢኹም ተውርዩ ዘለኹም? ብምባል ንፖሊስ ኣሰንቢደንኦም። “ሸፋቱ ዘይኰኑስ ኣነ ኣየ ገይረዮ” ክብላ ተናዚዘን፣ መብርሂ ሂበን። “ተሓቢአ ኣይኰንኩን ከኣ ገይረዮ፣ ነዞም ኣብዚ ዘለው ኣቕሺሽቲ ነጊረዮም እየ። ለይቲ ዘይኮነ ከኣ ቀትሪ እየ ፈጺመዮ። ነቲ ስእሊ ከሐድሶ እየ ፈቲነ፤ እንታይ እዩ በደለይ? ስእሊ ክርስቶስ ኣሪጉ ሓሲምዎ እናረኣኹስ ስቕ ዘይትብሊ ዲኹም ትብሉ ዘለኹም?” ክብላ ሓቲተን። እታ ከተማ ብዘይሓሰበቶ ተወርያ።  ኣብ ክንዲ መስሓቕ፡ መስሕብ በጻሕቲ ዓዲ ኰይና። ሰባት ኣሽሓት ማይልስ ተጓዒዞም፡ “ ነታ ብጌጋ ዝደመቐት ከተማ” ክበጽሑዋ ይመጽኡ ኣለው። ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት፡ ተግባር እተን ሽማግለ ሰበይቲ ቅዱስ ጌጋ ተባሂሉ ተወደሰ። እተን ተሳላሚት ቤተ-ክርስትያን ኣደ ካብ መፈለምትኡ እውን ንዕንወት ኣይተበገሳን። ከምኡ ኰይኑ’ውን ክርስቶስ ይቕረ ምብህሃል እዩ ኣምሂሩና። እተን 91 ዓመት ዝገበራ ኣደ ሕጂ ኣብ መእለይ ሽማግለታት እየን ዝናበያ። ከንቲባ እታ ከተማ ፓብሎ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ነተን ኣደ ሽምዓ ክነብርሃለን ኢና። ነቲ ዓሰርተ ዓመቱ ዝገበረ ጌጋ መዓልቲ ብዝኽሪ ክነድምቘ ኢና ኢሉ። ምኽንያቱ፡ ብሰንኪ እዘን ‘ጅግና’ ምስኪን ኣደ፡ ካብ 110 ሃገራት በጻሕቲ ይውሕዙና ኣለው። እቲ ተግባር ከኣ ንከተማ ቦርዣ ካብ ሓንቲ ድቅስቲ ናብ ውርይቲ ከተማ ኣዕሪጕዋ ኣሎ ኢሉ። ኣብዚ እዋን እታ ከተማ ኣብ ዓመት ኣስታት 40 ሽሕ በጻሕቲ ይነግዱዋ፣ ዕድመ ነተን ለዋህ ኣደ። ሕጂ ኣብቲ ውሩይ ስእሊ ክርስቶስ ቀይሕ ጌጋ ዝፈጸማ ሽማግለ ኣደ፡ ካብ ኣታዊ በጻሕቲ 40% ብጽሒት ከምዝወስዳ ተገይሩ ኣሎ። እወ ልክዕ እዩ። ሕጂ ደኣ እኮ እቲ ስእሊ ናይቲ ውሩይ ጋርሺያ ጥራሕ ኣይኰነን። እተን ኣረጊት ኣደ እውን ብራሸን ሓዊሰናሉ እየን። ንሰን ከኣ ገንዘበን ንግብረ ሰናይ ብምሃብ እየን ዝፍለጣ። ‘ዝኸበርካ እግዚኣብሄር! ብፍላጥን ብዘይፍላጥን ንዝፈጸምኩዎ ስሕተት ይቕረ በለለይ’ ዶ ይብላ ይዀና?","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ck7ny97gl38o"} {"headline":"ጃማይካ፡ ንገበን ዝውድሱ ምድላዋት ቴሌቪዥንን ሙዚቃን ከልኪላ","content":"በዓልመዚ ብሮድካስት ጀማይካ፡ ከም ኣጠቓቕማ ሓሽሽን ጠበንጃን ዝበሉ \"ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ዝውድስ\" ትሕዝቶ ዘለዎም ስራሕቲ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ከይመሓላለፉ ኣጊዱ። እቲ ሓድሽ ሕግታት፡ ንሙዚቃ ሓዊሱ ንቴሌቪዥንን ሬድዮን እውን ዝምልከት ኰይኑ፡ ካብ ደረት ወጻኢ ዝዀኑ ዝበሎም ገለ ኣርእስታት ብዝርዝር ዝሓዘ እዩ። ምትላል፣ ምጥቃም ዕጸ ፋርስን ዘይሕጋዊ ኣጠቓቕማ ኣጽዋርን \"ክተባብዑ\" ኣይኽእሉን ይብል። ይኹን’ምበር፡ ገለ ስነ ጥበባውያን ሙዚቃ ነጸብራቕ ህይወት’ዩ ብምባል ነቲ ስጉምቲ ነቒፎም። ኣብ 2021፡ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ደረጃ ጎነጻዊ ገበናት ክብ ኢሉ’ዩ። እታ ደሴታዊት ሃገር ኣብ ላቲን ኣሜሪካን ካሪብያንን ዝለዓለ መጠን ገበን ቅትለት ዝነበራ እያ። በዓል መዚ ብሮድካስት፡ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ዝውድሱ ደርፍታት ንምፍናው ህዝባዊ ማዕበላት ኣየር ምጥቃም፡ \"'ገበን፡ ኣብ ባህልን ሕብረተሰብን ጃማይካ ቅቡል እዩ' ዝብል ጌጋ ጦብላሕታ\" ክፈጥር ይኽእል'ዩ ይብል። ኩሉ ዓይነት \"ዘይሕጋዊ ወይ ገበናዊ ንጥፈታት\" ምእጋድ፡ ፈነወ መራኸቢ ማዕኸናት \"ጽሩይ\" ንኽኸውን ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ሓጋዚ’ዩ ብምባል፡ እተን ትካላት በቲ ውሳነ ክግዝኣ ኣተሓሳሲቡ። ቅጥዒ ዘይብሉ ትሕዝቶ፡ ኣብ መንጎ መንእሰያት ኣባጽሕን ከምኡ’ውን \"ተቓላዕቲ” ዝዀኑ መንእሰያትን ገበን ከም ንቡር ክወስዱዎ ጽልዋ የሕድር’ዩ ዝብል ስክፍታ እዚ ስጉምቲ ንምውሳድ ምኽንያት እዩ ተባሂሉ ኣሎ። ይኹን’ምበር፡ ገለ ካብ ስነጥበባውያን ሙዚቃ ጃማይካ ነቲ ስጉምቲ ነቒፎሞ ኣለዉ። \"እቶም ስነጥበባውያን ኣብ ከባቢኦም ዝረኣይዎ ወይ ኣብ ከባቢኦም ዝዓበዩ ነገራት መሰረት ገይሮም ካብ ምድራፍ ክንዓግቶም ኣይንኽእልን ኢና\" ክብል ኣፍራዪ ሙዚቃ ሮሜይክ ኣብ ኢንስታግራም ጽሒፉ። ወሲኹ፡ “ጀማይካ ጥራይ ድያ ቈልዑ ዘለውዋ ሃገር? ምኽንያቱ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘለው ቈልዑ ነዞም ደርፍታት ይሰምዑ’ዮም” ኢሉ። \"ዲ ጂንየስ\" ብዝብል ናይ መድረኽ ሽሙ ዝጽዋዕ ተዓዋቲ ሽልማት ግራሚ ዝኾነ ኣፍራዪን ድምጻውን ስቴፈን ማክግሪጎር እውን ሕርቃኑ ብትዊተር ገሊጹ። መንእሰያት፡ ካብ ብራድዮ ዝመሓላለፉ ኣብ ኢንተርነት ዚያዳ ሙዚቃ ከም ዝሰምዑ ብምጥቃስ፡ \"ያኢ! ሕጂ፡ ገበንን ዓመጽን ደው ክብል እዩ\" ብምባል ሸምጣጢ ዘረባ ጽሒፉ። ወሲኹ፡ “ኣነ ከም ዝመስለኒ፡ እቲ ስጉምቲ ብጭቡጥ ገለ ነገር ንምግባር ካብ ምፍታን ንላዕሊ ርኣዩ፡ 'ገለ ንገብር ኣለና' ዝብል'ዩ\" ኢሉ። ገለ ሙዚቃ ኣብ ጃማይካ ክእገድ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን። ብ2009፡ ተቖጻጸርቲ ንጾታዊ ርክብ፣ ዓመጽ፣ ቅትለት ዘተባብዑ ሙዚቃታት ከይፍነው ኣጊዶም ነይረም። እዚ፡ \"ዳገሪንግ\" ዝብሃል ጾታዊ ርክብ ዘለዓዕል ትልሂት ተፈታውነት ምስ ረኸበ ስዒቡ ዝተመሓላለፈ ውሳነ እዩ።። መግለጺ ኮሚሽን ብሮድካስት ግን፡ ሓሳብካ ብናጽነት ናይ ምግላጽ መሰል ኣብ ግምት ብምእታው፡ ገበን ዘስፋሕፍሕ ትሕዝቶ ግን ምስ \"ሓላፍነት መራኸብቲ ሓፋሽ” ዝጋጮ እዩ ይብል።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cevgkx9vzgro"} {"headline":"ውሩይ ድምጻዊ ዮናታን ታደሰ - ዱላ ዓሪፉ","content":"እቲ ውሩይ ኤርትራዊ ድምጻዊ ዮናታን ታደሰ [ዱላ] ብሕማም ምኽንያት ትማሊ 3 ታሕሳስ ኣብ ኣስመራ ከም ዝዓረፈ ተፈሊጡ። ዮናታን ዱላ፡ ሓይሊ ብዘለዎ ፍሉይ ደርፍታቱን ቅዲ ሳዕስዒቱን ዝፍለጥ፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ፍሉይ ኣከዳድናን ኣቀማቕማን ኣማዕቢሉ ዘዘውትር፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ህቡብነት ዘጥረየ ወናም ድምጻዊ እዩ። ዱላ፡ ካብታ ትሽዓተ ውሉዳት ዘፍረየት ስድራቤት ሕንሳስልደት ኰይኑ፡ ብ 1984 ኣብ ኣስመራ ማይተመናይ ተወሊዱ ዝዓበየን፡ ንፉዕ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ ከም ዝነበረን ፈለጥቱ ይዛረቡ። ኣብ 2016፡ ‘ቦባ’ ምስ ዝተባህለ ሓደ ጕጅለ ሙዚቃ ኤርትራ ድሕሪ ምጽንባሩ፡ ዕቝር ስነጥበባዊ ተውህቦኡን ዓቕሙን ከውጽእ ዕድል ከም ዝረኸበ ዝንገረሉ ዮናታን ዱላ፡ ኣብቲ ዓመት ዝሰርሓ “ኣብ ልበይ ኣሎ ምስላ” እትብል ደርፉን፡ ኣዝዩ ፍሉይን መሳጥን ሳዕስዒታን ኣቢሉ እዩ ምስ ህዝቢ ተላልዩ። ዱላ ኣብቲ ዓመት፡ “ፈሪሀልኪ” እትብል ጽቡቕ ተቐባልነት ዝረኸበት ደርፊ’ውን ኣፍርዩ እዩ። ስነጥበባዊ ዮናታን ታደሰ ብድሕሪ’ዚአን፡ “ንቕጽየ ኢለልኪ”፡ “ሓዘኪ ልበይ”፡ “መሊቶ” ዝብላን ካልኦት ብፍላይ ብሓይልን ቅዲን ሳዕስዒትን ነናይ ገዛእ ርእሰን ኣሰራት ዝገደፋ ፍሉያት ደርፍታት ናብ ህዝቢ ዘርጊሑ እዩ። ብወግዒ ናብ ህዝቢ ዘይቀረባ፡ ግን ከኣ ኣብ እኩብ ናይ ምዝንጋዕ ኣጋጣሚታት፡ ብኾፍካ እተስተማቕሮ ሓያለ “ደርፍታት ጋዕዳ” እውን ከም ዘፍረየ ይንገረሉ። ብዘይካ’ዚ፡ ንኻልኦት ድምጻውያን ዝሰርሖ ግጥምታትን ዜማታትን ከም ዘለዎ’ውን ይፍለጥ። ዮናታን ዱላ፡ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ሸውዓተ ኣዋርሕ ብሕማም ክሳቐ፣ ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ከም ዝጸንሐን ይፍለጥ። እዚ ህቡብ ድምጻዊ ንዝለዓለ ሕክምና ናብ ኢጣልያ ከይዱ ንኽሕከም ብዙሓት ግዱሳት፡ ብ መገዲ 'ጐ-ፋንድሚ' ገንዘብ ከዋጽኡ ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ናብ ኣውሮጳ ቅድሚ ምኻዱ፡ ብ 28 ሕዳር ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ከም ዝተመልሰን፡ ዝመጽእ ሰሉስ 6 ታሕሳስ ናብ ኢጣልያ ክኸይድ ተመዲቡ ከም ዝነበረን፡ ቢቢሲ ዝተወከሶም፡ ነቲ ናይ ምሕጋዝ መደባት ከወሃሃዱ ዝጸንሑ ግዱሳት ስነጥበባውያን ኣረጋጊጾም። በቲ፡ ዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት፡ ስነጥበባዊ ዮናታን ታደሰ ዱላ፡ ጽባሕ ሰኑይ 5 ታሕሳስ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክቕበር እዩ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c0x7djwj2xlo"} {"headline":"ህቡብ ድምጻዊ ዓሊ ቢራ ዓሪፉ","content":"ሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ዓውዲ ሙዚቃ ዝናን ተፈታውነትን ዝረኸበ ዓሊ መሓመድ ቢራ ኣብ መበል 75 ዓመቱ ከም ዝዓረፈ ቢሮ ኮሚኒኬሽን ክልል ኦሮምያ ኣፍሊጡ። ሞት ዓሊ ቢራ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ኦሮሞ ዓቢይ ሓዘን እዩ ይብል መግለጺ ኮሚኒኬሽን ክልል ኣሮሚያ። ኣብ ምምዕባል ስነ-ጥበብ ህዝቢ ኦሮሞ ዓቢይ ኣበርክቶ ከም ዝገበረ ዝንገረሉ ድምጻዊ ዓሊ ቢራ ብዙሓት ዘመን-ተሳገርቲ ሙዚቃዊ ስርሓት ኣበርኪቱ እዩ። ግንቦት 1940 ዓ.ም [ግእዝ] ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ዝተወልደ ዓሊ ቢራ፡ ንዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ብሰንኪ ዘጋጠሞ ጸገማት ጥዕና ሕክምናዊ ደገፍ ክረክብ ምጽንሑ ይፍለጥ። ስነጥበባዊ ዓሊ ቢራ ቅድሚ ሕጂ’ውን ጸገማት ጥዕና ስለዘጋጠሞ፡ ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ኣዳማን ኣብ ዝርከባ ሆስፒታላት ሕክምና ተገረይሩሉ ነይሩ። ንሱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ ብሕማም ልብን ሕማም ሽኮርን ይሳቐ ምንባሩ ገሊጹ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፉ 60 ዓመታት ኣብ ስርሓት ሙዚቃ ኦሮሞ ልዑል ዝናን ተቐባልነትን ረኺቡ እዩ። ኣብ ምምዕባል ሙዚቃ ቋንቋ ኦሮሞ ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝገበረ’ውን ይዝረበሉ። ዓሊ፡ ኣብቲ ንፍርቂ ዘመን ዝጸንሐሉ ናይ ሙዚቃ ሂወቱ ልዕሊ 260 ደርፍታት ዝተጻወተ ኰይኑ፡ ኣብ ስነ ጥበብ ብዝገበሮ ኣበርክቶ ብዙሕ ሽልማት ተዓዊቱ እዩ። ብዘይካ ኦሮምኛ ብቛንቋታት ኣምሓርኛን ሶማልኛን እውን ተፈላጥነቱ ዘዕዘዙ ደርፍታት ኣፍርዩ። ሙዚቃዊ ስርሓቱ ድማ በቶም ነቲ ቋንቋ ዝዛረቡ ሕብረተሰብ ጥራሕ ዘይኮነስ ብኻልኦት እውን ዝለዓለ ተፈታውነት ክረክብ ኣኽኢሎምዎ እዮም። ዓሊ ንኣቦኡ ሓደ ወዲ እዩ። ብርግጽ ብወገን ኣደኡ ብዙሓት ኣሓትን ኣሕዋትን ኣለዉዎ። ኣደኡን ኣቦኡን ክፈላለዩ እንከለዉ ወዲ ሰለስተ ዓመት እዩ ነይሩ። “ኣቦይ ሰራሕ ማይ ቡንባ እዩ ነይሩ” ይብል ዓሊ። ምስ ኣቦኡ እዩ ዓብዩ። ዓሊ ወዲ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ዓመት እንከሎ ኣቦኡ ናብ ሰይቲ ሓወቦኡ ወይዘሮ መይሮ ክነብር ወሰዶ። ነታ ባኒ ብምሻጥ መዓልታዊ መነባብሮኣ ትመርሕ ዝነበረት ወ\/ሮ መይሮ ንምሕጋዝ፡ ባኒ ኣብ ርእሱ ተሰኪሙ ዓሚል ንምስሓብ እናደረፈ ይሸይጥ ነበረ። በዚ ብልሓቱ ከኣ ካብ ካልኦት መሓዙቱ ብዝቐልጠፈ ነቲ ዝሓዞ ባኒ ሸይጡ ክውድእ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካብታ ዘመዱ’ውን ሓሙሽተ ሳንቲም ሞቑሽሽ ክረክብ ይገብሮ ነይሩ። ንእሽቶ ዓሊ ፊደላት ምስ ተማህረ ቋንቋ ዓረብ ክመሃር ጀመረ። ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ መምህር ኣብ ዘይህልወሉ እዋን፡ ወይ ኣብ ዕረፍቲ ንመሓዙቱ ምድራፍን ምስዕሳዕን ባህ ይብሎ ነይሩ። ብኣውራኡ ድማ ናይ ዓረብኛን ህንዲን ሙዚቃ ይጻወት። ኣቦኡ ወዱ ዝዀነ ተክኒካዊ ሞያ ክህልዎ ይደሊ ስለዝነበረ፡ በዓልሞያ ዕንጨይቲ ክኸውን ይደፋፍኦ እኳ እንተነበረ፡ ልቢ ዓሊ ግን ናብ ሙዚቃ ሸፈተ። ዓሊ ዝተወለደላን ዝዓበየላን ድሬዳዋ ካብ ተዛረብቲ ቋንቋታት ኣምሓርኛ፡ ኦሮምኛ፡ ኣደርኛን ሶማልኛን ብተወሳኺ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጹ ተዛረብቲ ጣልያንኛን ፈረንሳኛን እውን ነይሮምዎ። ዓሊ ቋንቋ ኦሮምኛ ካብ ዝዛረቡ ስድራ ቤት ዝመጸ'ኳ እንተዀነ፡ ምስ ኣቦኡ ግን ዓረብኛን ኣሮምኛን እናሓዋወሰ ይዛረብ ነይሩ። ብኦሮምኛ፡ ኣደርኛ፡ ሶማልኛ፡ ዓፋርን ኣምሓርኛን ደሪፉ’ዩ። ብቛንቋ ወጻኢ ድማ ብዓረብ፡ ሽወደንን እንግሊዝኛን ደሪፉ። ዓሊ ቢራ ምስ ጕጅለ ሙዚቃ ‘ኣፍረን ቀሎ’ ኰይኑ ኣብ ድሬዳዋ ስርሑ ከቕርብ ዝረኣዩ ሰባት ናብ ጅቡቲ ከይዱ ተመኵሮኡ ንኻልኦት መንእሰያት ከካፍልን ስርሑ ከቕርብን ሓቲቶምዎ። እንተዀነ ኣብቲ እዋን ኣመሓደርቲ ድሬዳዋ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣባላት ባንድ ኣፍረን ቀሎ ናብ ጅቡቲ ዝቐረበሎም ዕድመ ምስ ሰምዑ ክቕበልዎ ኣይከኣሉን። ዓሊን መሳርሕቱን ግን ምርኢት ከቕርቡ ብናይ ባዕሎም ውሳነ ናብ ጅቡቲ ኣምርሑ። ኣብ ጅቡቲ ናይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጻንሒት ብምግባር ምስ ተመልሱ ድማ ኣባላት እቲ ጕጅለ ተኣሲሮም ናብ ማሕዩር ወረዱ። ዝተኸሰሱሉ ምኽንያት 'ንንጉሰ ነገስት [ሃጸይ ሃይለስላሴ] ኣብ ስታድዩም ጅቡቲ ጸሪፎም' ዝብል ናይ ሓሶት ክሲ ከምዝነበረ እቲ ስነጥበባዊ ይዝክር። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ 1956 ንሰለስተ ሰሙን ተኣሲሩ። ዓሊ፡ ዋላ'ኳ ነጻ እንተተባህለ፡ ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ኣካላት ጸጥታ ግን በቲ ውሳነ ሕጕሳት ብዘይምንባሮም ብተደጋጋሚ ይኣስርዎ ከምዝነበሩ ይዛረብ። ወላዲኡ፡ ወዶም በዚ ኵነታት ከይቅጽል ስለዝተጨነቝ ንኣዝማዶም ኣሸጊሮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ሰደድዎ። ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መጸአ፡ ኣብ ሓጋይ 1957 ናብ ንጉሳዊ ጕጅለ ኪነት ‘ክቡር ዘበዐኛ’ [ናይ ክብሪ ሓለዋ] ተጸንበረ። ዓሊ ኣብ ድሬዳዋ ምስ ዝነበረ ጕጅለ ሙዚቃ ኣፍረን ቀሎ ዝጀመሮ ዘመናዊ ስራሕቲ ሙዚቃ ኦሮሞ ናብ ኣዲስ ኣበባ ሒዝዎ’ዩ ከይዱ። ካብ ኣባላት ጕጅለ ሙዚቃ ኣፍረን ቀሎ ናብ ኣዲስ ኣበባ መጺኡ ክብሪ ዘመናዊ ሙዚቃ ኦሮሞ ሓፍ ንምባል ዝበቕዐ እንኮ ድምጻዊ ዓሊ ቢራ ነይሩ። ኣብ ክቡር ዘብዐኛ ክቑጸር እንከሎ፡ ደሞዙ 30 ብር ከምዝነበረ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ድማ 90 ብር ከምዝበጽሐ ይዛረብ። ንሰለስተ ዓመት ምስ ክቡር ዘበኛ ድሕሪ ምስራሕ፡ ካብኡ ወጺኡ ምድር ባቡር ናብ ዝተበሃለ ካልእ ጕጅለ ብምእታው ክሰርሕ ጀሚሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሓድሽ ጕጅለ 138 ብር ወርሓዊ ደሞዝ ይኸፍሎ'ኳ እንተነበረ፡ ዓሊን ፍቕሪ ሙዚቃን ግን ብቐሊሉ ዝፈላለዩ ኣይነበሩን። ዓሊ ኣብ 1984 ነይሩ ንፈለማ እዋን ካብ ኢትዮጵያ ጠቕሊሉ ዝወጽአ። ካብ ሃገር ምስ ወጸ ድማ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ኮሌጅ ሰይንት ሞኒካ፡ ሙዚቃ (ናይ 20 ክፍለ ዘመን ምዕራባዊ ክልሰ ሓሳብ ሙዚቃ) ተማሂሩ ተመሪቝ። ኣፍቃሪ ትምህርቲ ዝነበረ ዓሊ ኵሉ ግዜ ኣገዳስነት ትምህርቲ ይሰብኽ ነይሩ። \"ድንቍርና ንኣእምሮ የዕውሮ\" ዝብል ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብ ዝኸዶ ቦታ ትምህርቲ ናብ ኵሉ ክበጽሕ ጻዕሪታት ይገብር። ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ኣሜሪካ፡ ሽወደን፡ ካናዳን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ስደት ዝነበረ ዓሊ፡ ኣብ ዕድመኡ ልዕሊ 50 ሽልማት ከምዝረኸበ ይግለጽ። መብዛሕትኡ ድማ ኣብ ምዕባለ ባህሊ፡ ሙዚቃን ቋንቋን ኦሮሞ ብዝገበሮ ኣበርክቶ ካብ ዝተፈላለያ ትካላት ዝተወፈዩሉ ናይ ዕድመ-ዘመን ሽልማትን ናይ ምስጋና ምስክር ወረቐትን እዮም። ብተወሳኺ፡ ካብ ዩኒቨርስቲታት ጂማን ድሬዳዋን ናይ ክብሪ ዶክትረይት ረኺቡ። ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ ናይ ክብሪ ዶክትረይት ምስሃቦ፡ ካብቲ ኣብ ዝተወልደሉን ሙዚቃ ዝጀመረሉን ቦታ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ብዛዕባ ዝተዋህቦ ክብሪ ፍሉይ ስምዒት ተሰሚዕዎ’ዶ ይኸውን ዝብል ክገልጽ ካብ ቢቢሲ ሕቶ ቀሪቡሉ ነይሩ። \". . . ጎንደር ይዅን ጎጃም፡ ንዘኽበረኒ ኵሉ ሓደ ካብቲ ካልእ ኣብሊጸ ኣይርእን እየ። ነታ ኢደይ ዘርጊሐ ዝተስኣልክዋ ስእሊ ብምውሳድ፡ ካብቲ ናይ ዩኒቨርሲቲ ጂማ ንላዕሊ ሕጕስ ከምዝዀንኩ ይዛረቡ ነይሮም። ክልቲኦም ብማዕረ ከምዘኽበሩኒ ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ፤ እግዚኣብሄር የኽብሮም\" ክብል መልሲ ሂቡ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cx0yzqw0ky0o"} {"headline":"ኣብ ልዕሊ ሳንዱቕ ሬሳ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዝተቐመጠ ውቁብ ዘውዲ","content":"ኣብ ሳንዱቕ ሬሳ ግርማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ተቐሚጡ ዝርአ ፍሉጥ ዘውዲ 'ኢምፔርያል ስቴት ክራውን' ተባሂሉ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ዘውዲ ኣብ ውሽጢ ዘመናት ብነገስታትን ንግስታትን እንግሊዝ ዝተኣከበ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዕንቊታት ዝሓዘ ብዋጋ ዘይሽነን እኽብካብ እዩ። እቲ ዘውዲ ብ2,868 ኣልማዝ፡ 273 ሉል፡ 17 ሳፋየር፡ 11 ኤመራልድን 5 ሩቢን ዘብለጭልጭ እዩ። \"ሓደ ሓደ ግዜ ብሰንኪ እቲ ካብኦም ዝወጽእ ንጹር ብርሃን [ነቲ ዘውዲ] ክትጥምቶ ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ቃል ብቓሉ ዘደንጹ'ዩ…\" ትብል ተመራማሪት ታሪኽን ደራሲት ‘ዘ ክራውን ጀውልስ’ን ኣና ኪይ። ኣብ ታሪኽ ክሳብ ማእከላይ ዘመን፡ ዘውዲታት ከም መግለጺ ሃብትን ደረጃን ይረኣዩ ከም ዝነበሩ ትገልጽ። \"ግርማ ዘመልክት እዩ፣ ልኡላውነት ዘመልክት እዩ\" ድማ ትብል። ኣብ 1937 ንንግስና ኣቦአን ንጉስ ጆርጅ ሻድሻይ ዝተሰርሐ ኮይኑ፡ ካብቲ ካብ ንግስቲ ቪክቶርያ ኣትሒዙ ዝነበረ ዘውዲ ዝቐለለ ክኸውን ተገይሩ ዝተዳለወ እዩ። እንተኾነ ግን እቲ ኢምፔርያል ስቴት ክራውን 1.06 ኪሎ ግራም ክብደት ኣለዎ። ኣብ እዋን ንግስነተን፡ ግርማዊት ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ኣብ መኽፈቲ ዓመታዊ ባይቶ ኣብ ወርቃዊ ዝፋን ኮፍ ኢለን ናይ መጻኢ ዓመት መንግስታዊ መደባት ከንብባ ከለዋ ዝለብስኦ'ዩ ነይሩ። ኣብ 2018፡ እተን ንግስቲ፡ እቲ ዘውዲ ክትለብሶ ክሳብ ክንደይ ከምዝኸብድ ተዋዝየን ነይረን። \"ነቲ መደረ ከተንብቦ ንታሕቲ ክትጥምት ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ክሳድካ ከይስበር ነቲ መደረ ንላዕሊ ክትገብሮ ኣለካ\" ክብላ ግርማዊት ገሊጸን ነይረን። \"ዘውዲታት ገለ ሳዕቤናት ኣለዎም፡ እንተዘይኮይኑ ግን ኣዝዮም ኣገደስቲ ነገራት እዮም።\" ኣብ 2019፡ እተን ንግስቲ ዕድሚአን ናብ 90ታት ምስ በጽሐ ዝቐለለ ዘውዲ ይጥቀማ ነይረን። ኣብቲ ኣብ 2021 ንመወዳእታ ግዜ ዝተሳተፋሉ ስነ-ስርዓት ድማ፡ ፈጺመን ኣይለበሳን። ኢምፔርያል ስቴት ክራውን ካብቲ ክሳብ ሕጂ ዝዓበየ ኣልማዝ ዝተቖርጸ 317 ካራት ዝዓቐኑ ‘ኩሊናን 2’ ዝተበሃለ  ኣልማዝ ዘጠቓልል እዩ። ብተወሳኺ ኣብቲ ኣብ መበል 11 ክፍለ ዘመን ንጉስ እንግሊዝ ቅዱስ ኤድዋርድ ዘ ኮንፌሰር ይገብሮ ነይሩ ዝበሃለሉ ቀለበት ዝነበረ ሳፋየር ዕንቊ የጠቓልል። እቲ ሳፋየር ዝተባህለ ዕንቊ ኣብቲ ዘውዲ ኣብ ማእኸል እቲ መስቀል ተቐሚጡ ይርአ። እተን ንግስቲ ብፍላይ ኣብቲ ዘውዲ ብዝነበረ ‘ዘ ብላክ ፐሪንሰስ ሩቢ’ ብዝብል ዝጽዋዕ ዓብዪ ቀይሕ ዕንቊ ይምሰጣ ነይረን። ኣብ 1415 ኣብ እዋን 'ኲናት ሚእቲ ዓመት' ንጉስ ሄንሪ 5ይ፡ ሓይልታት እንግሊዝ ንፈረንሳውያን ኣብ ዝሰዓርሉ ግንባር ኣጊንኮርት ገይርዎ ከምዝነበረ ይግመት። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ሰነዳዊ ፊልም ቢቢሲ ንምስራሕ ነቲ ዘውዲ ቀሪቡ ክምልከት ፍቓድ ዝረኸበ ኣቕራቢ ቢቢሲ ክላይቭ ማይሪ፡ ነቲ ዘውዲ ምርኣዩ \"ዳርጋ ዘይክውንነታዊ\" ክብል ገሊጽዎ። \"ንጹርነት ናይቶም ኣልማዛት ፍጹም ንምእማኑ ዘጸግም'ዩ\" ድማ ይብል።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72z8rd232vo"} {"headline":"ሓድራዊ፡ እቲ ካብ ልሳን ሶማላውያን ዘይጠፍእ ገጣሚ","content":"ሶማላውያን፡ ደቂ “ሃገረ ገጠምቲ” ተባሂሎም እዮም ዝፍለጡ። ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ ኸኣ፡ ን መሓመድ ኢብራሂም ዋርሴም ዝዳረግ ገጣሚ የለን። መሓመድ ኢብራሂም፡ ኣብ ሃርጌሳ፡ ርእሰ ከተማ ናይታ ንርእሳ ሪፐብሊክ ኢላ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ፡ ኣብ መበል 79 ዓመቱ'ዩ ዓሪፉ። ዓሰርታት ኣሽሓት ኣብ ቀብሩ ተረኺቦም። ካብ ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያን ኬንያን ከይተረፈ ብዙሓት ናብ ሶማሊላንድ ብምኻድ ንዕኡ ዘለዎም ክብሪ ገሊጾም። እዞም ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሩ ዝተረኸቡ ብዙሓት ሓዛኖ፡ ምስክር እቲ ኣብ ልዕለኡ ዘለዎም ክብርን ፍቕርን እዮም። እቲ ገጣሚ፡ ብቐሊሉ ሓድራዊ ወይ “ክኢላ ዘረባ” ብዝብል ሳጓ እዩ ዝፍለጥ። እዚ ቈልዓ ኰይኑ ኣብ የመን ዝወጽኣሉ ሳጓ እዩ። መሓመድ ኢብራሂም፡ ቈልዓ እናሃለወ ኣደኡ ስለ ዝሞተት ኣብ የመን እዩ ዓብዩ። ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ “ሞት ሓድራዊ፡ ንነፍሲ ወከፍ ገዛ ሶማልያ ዝትንክፍ እዩ” ኢሉ። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሜሪ ሃርፐር፡ ብ2017 ህይወትን ስርሓትን እቲ ገጣሚ ዝድህስስ ሰነዳዊ ንምድላው ኣብ እትሰርሓሉ ግዜ ዘዘራረበቶም ሰባት፡ ዳርጋ መብዛሕትኦም ሓደ ካብ ግጥምታቱ ይረቝሑ ወይ ካብ ደርፍታቱ ይደርፉ ከም ዝነበሩ ትዝክር። ተመሃሮ፡ ኣሳሰይቲ፡ ሚሊየነራት፡ ተመጽወትቲ፡ ወተሃደራትን ሚኒስተራት መንግስትን ኵሎም ንግጥሚታቱ ይፈልጡዎምን ካብ ልቦም ክኣ ይፈትዉዎምን። “ንሶማላውያን ሓደ ክገብሮም ዝኽእል ሓደ ነገር ሓድራዊ’ዩ” ይብል ተሓጋጋዚኡን ኣርታዒ ስርሓውቱን ዝዀነ መሓመድ ሱሌማን። “ሶማልያ ፈሪሳ’ያ፤ እታ ሃገር ተበታቲና እያ። ሓደ ዝገብሩና ዘለው ቋንቋና፡ ሃይማኖትናን ሓድራዊን እዮም።\" ሓድራዊ ልዕሊ ገጣሚ እዩ ነይሩ። ብዙሓት ተዋስኦታት ጽሒፉ፣ ምስ ዝተፈላለዩ ሙዚቀኛታት ብምትሕብባር ድማ ልዕሊ 70 ኣዝዮም ተፈተውቲ ሙዚቃታት ደሪሱ። በዚ፡ ከም ሓደ ፈላስፋን ገናሒ ሞራልን ተገይሩ’ዩ ዝውሰድ። ብቐንዱ ክኣ፡ እቲ ክሳብ 1972 [ኣ. ኤ] ኣብ ጽሑፍ ዘይነበረ ቋንቋ ሶማልያ ኣብ ምዕቃብ ዓቢይ ተራ ተጻዊቱ'ዩ። ሓድራዊ፡ ቀንዲ ነቓፊ ምልካዊ ምሕደራ እቲ ካብ 1969 ክሳብ 1991 ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝነበረ ሲያድ ባረ’ዩ። ብ1973፡ ሓድራዊ ብግጥምታቱ ኣቢሉ ኣንጻር መራሕቲ ሶማልያ ብምዝራቡ ንሓሙሽተ ዓመታት ተኣሲሩ። እታ ኣመና ዘሕረቐቶም ግጥሚ፡ ‘The Killing of the She-Camel’ ዝተባህለት ብልሽውናን ምልካውነትን እትነቅፍ ግጥሚ’ያ። እታ ግጥሚ፥ The cob stallion sells his values in order to cut a fine figure. When such cockiness struts forth and even laugher becomes a crime our country has unfinished business. ዝብላ ነግሒ ኣሎዋ። ሓድራዊ፡ ኣባል ኮሚቴ'ቲ ኣንጻር እቲ ሶማሊላንድ ርእሳ ዝኽኣለት ሃገር እያ ኢሉ ዝኣወጀ መንግስቲ ዝዀነ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ሶማልያ እዩ። ሶማሊላንድ፡ ብ1991 ናጻ ሃገር ኢላ ካብ እትእውጅ ክሳብ ሕጂ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ኣይረኸበትን። ብ2003፡ ደረፍቲ ሰላም፡ ገጠምትን ካልኦት ጕጅለታት ባህሊን ብምውዳብ ኣብቶም ጐንጺ ዝነበሮም ከባቢታት ብምኻድ እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ዝመስል ዝነበረ ጐንጺ ከብቅዕ ገይሩ’ዩ። ስራሕቲ ሓድራዊ፡ ጉዳያት ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ኣድልዎ ዝበጽሖም ጕጅለታት፡ ውጹዓት ቀቢላታትን ደቂ ኣንስትዮን ብፍላይ ኣደታት ዘተኰሩ እዮም። ንዝሓለፉ ዓመታት፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለው ሶማላውያን መንፈሳዊ ምልዕዓል ዝፈጥር ሰብ እዩ ኰይኑ። ስኮትላንዳዊ ገጣምን ፕሮፌሰር ግጥምን ጽሕፈትን ዩኒቨርሲቲ ኒውካስል ቢል ሀርበርት፡ ገለ ግጥምታት ሃድራዊ ናብ ኢንግሊዘኛ ንምቕያር ምስ ሶማልያውያን ሙሁራት ሰሪሑ’ዩ። “ነቕ ዘይብል ሞራላዊ ሕመረት ነይሩዎ፤ እቲ ሰባት ዝሃቦ ቦታ ተጠቒሙ ክኣ ብዛዕባ ሰባት እዩ ዝዛረብ ነይሩ” ይብል። እቶም ኣብ ልዕሊ ሰብ መዝን ዘይፍትሓውነትን ዘቕርቦም ዝነበረ ነቐፌታታት ብርቱዓትን ትብዓቱ ዘርእዩን'ኳ እንተነበሩ፡ ሓድራዊ ግን ከም ሰብ ኣመና ሕያዋይ እዩ ነይሩ። ፍሽኽታኡ፡ ወትሩ ብሩህ’ዩ። ዳይሬክተር ትካል ባህሊ ሶማልያ ኣያን ማሕሙድ “ንዅሉ ዝኽእል ዓቢይ ልቢ ነይርዎ። ‘ጊድ’ ተባሂሉ’ዩ ዝፍለጥ፤ ብሶማል ገረብ ማለት’ዩ - ልክዕ ከም ጨናፍር ገረብ መን ምዃኑ ብዘየገድስ ንዅሉ ዕቝባ ሂቡ” ክብል ይገልጾ። ግጥምታት ሓድራዊ፡ ንፈጻሚ ስራሕ ዳሃብሺል ዓብዲራሺድ ዱዋለን ካልኦት ንብዙሓት ሰባት ምልዕዓል ፈጢሮም’ዮም። “ብኣካል ከይረኸብኩዎ እንከለኹ’የ ንሓድራዊ ፈትየዮ” ኢሉ። ወሲኹ፡ “ግጥምታቱ፡ ሰባት ብማዕረ ምርኣይ ምሂሮምኒ፤ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ቅድሚ ምኻደይ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንላዕሊ ኣብ ዓለም ትዅረት ዝገበሩ ግጥምታት ዝተጽሓፈሎም ወረቓቕቲ ሂቡኒ። እዚኦም፡ ስርሐይ ዓለምለኻዊ ክገብሮ ኣተባቢዖምኒ፤ ከምኡ ኸኣ እየ ገይረ” ይብል። ሓድራዊ፡ ብዛዕባ ፍቕሪ ዝጽሕፎም ግጥምታት ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ከም ዘለዎም’ዩ ዝፍለጥ። ‘Love Written in Blood’ ሓንቲ ካብተን ፍሉጣት ግጥምታት እያ። ሶማላውያን፡ ዕድመኦምን ደረጃ ማሕበራዊ መነባብሮኦም ብዘየገድስ፡ ፈተውቲ ግጥሚ’ዮም። “ብዙሓት ሶማላውያን መናእሰይ፡ ግጥምታቱ ብዛዕባ ህይወት ክፈልጡዎ ዝግባእ ኵሉ ነገር ተማሂርናሎም ኢና እዮም ዝብሉኒ” ይብል ምስ ሓድራዊ ኣርባዕተ ተዋስኦታት ዝጽሓፈ ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ሚነሶታ ዝነበረ ሰይድ ሳልሕ። ተሓጋጋዚ ሓድራዊ፡ መሓመድ ሱሌማን ነዊሕ ዓመታት ስርሓቱ ክእክብን ክዕቅብን እዩ ጸኒሑ፤ መብዛሕትኡ ህዝቢ ሶማልያ፡ ኣፋዊ ባህሊ’ዩ ዘለዎ። “ሓድራዊ ከይዱ ኣሎ፤ ግን ክኣ ስነጽሑፋዊ ስርሓቱ ግን ምሳና ስለ ዝነብር ወትሩ ምሳና ክኸውን እዩ።\"","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cjrn5q0rjxpo"} {"headline":"ሰለስተ ደርፍታት ማይክል ጃክሰን ተኣልየን","content":"ብናይ ሓሶት ድምጺ ዝተሰርሓ እየን ተባሂለን ብቐጻሊ ከዛርባ ዝጸንሓ ሰለስተ ደርፍታት ማይክል ጃክሰን፡ ካብ ኣገልግሎት ፈነወ ደርፍታት ተኣልየን። ‘Monster, Keep Your Head Up and Breaking News’ ዝብላ ዜማታት፡ ድሕሪ ሞት ማይክል ተዛዚመን ብ2010 [ኣ.ኤ] ኣብ ዝወጽአ ኣልበም ዝተኻተታ ስርሓት እየን። ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ሓንቲ ኣፍቃሪት ሙዚቃ ጃክሰን፡ እቲ ድምጺ ብዝተኸፍሉ ደረፍቲ ዝተመልአ'ዩ ክትብል ብዘቕረበቶ ክሲ ኣብ ቤት ፍርዲ ከካትዓ ጸኒሐን። ሙዚቃ ሶኒን ወኪል ንብረት ጃክሰንን ግን፡ ምእላይ እዞም ሙዚቃታት ምስ መበቈላውነት እቶም ስርሓት ዘተሓሕዝ የብሉን ኢሎም። ነቲ ስጕምቲ ድማ፡ “ምስተን ዜማታት ተተሓሒዙ ዝነበረ እንካን ሃባን ንሓንሳእን ንሓዋሩን ዝውድኣሉ ዝሓሸን ዝቐለለን መገዲ’ዩ” ክብሉ ኣብ መግለጺኦም ሓቢሮም። እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ “ትዅረትና ኣብ ዘሐጕስ ሓድሽን ቀጻሊ ፕሮጀክታት ውርሻታትን ማይክል ጃክሰን ክኸውን እዩ። ዝተረፉ ዜማታት እቲ ኣልበም'ውን ኣብ ቦታኦም ኣለው” ይብል። እዚ ኣልበም ብ2010 ዝወጽአ ኰይኑ፡ ቅድሚ ናብ መደበራት ሙዚቃ ምኻዱ ግን፡ ስድራቤት እዚ ስነጥበባዊ ኵሎም ደርፍታት ሰሪሑ ወዲእዎም ድዩ ዝብል ጥርጣረታት የልዕሉ ነይሮም። ንሱ ብ2009 ከም ዝሞተ ይዝከር። ወዲ ሓው ቴርል፡ “ነዚ ጽላለ ክከላኸሎ ፈቲነ’የ፤ ኣይሰምዑንን” ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፋ። ሓፍቱ ላ ቶያ ድማ፡ “ንሱ ኣይመስልን” ኢላ። ሶኒ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ብተኸታታሊ ኣብ ዘካየድናዮም መጽናዕቲታት ዝረኸብናዮም ውጽኢታት እምነት ነይሩና፤ እቶም ድምጻውያን ይዅኑ እቶም ምስኡ ኣብ ስቱዲዮ ዝነበሩ ኵሎም ናቱ’ዮም” ኢሉ። እቲ ኣልበም ምስ ተፈነወ ኣብ ዝወጽአ ጽሑፍ፡ “እዚ ኣልበም፡ ትሸዓተ ቅድሚ ሕጂ ዘይተፈነው ዜማታት ማይክል ጃክሰን ዝሓዘ’ዩ። እዚኦም፡ ኣብ ቀረባ ግዜ እቲ ኦሪጅናል ድምጽን ብኣወሃሃድቲ ብዝተገብረ ምውህሃድ ተወዲኦም ኣለው” ይብል። ይዅን’ምበር፡ እቶም ሙዚቃታት ምስ ተሰምዑ ኣፍቀርቲ ኣብ ልዕሊ እተን ሰለስተ ዜማታት ጥርጣረታት ኣሕዲሮም። እቲ ብወግዒ ዝበሃል፡ ጃክሰን ብ2007፡ ነዘን ዜማታት ጽሒፉ ምስ ኣባላት ጉጅለኡ ኤድዋርድ ካሲኮን ጄምስ ፖርቴን ከም ዝቐድሐን’ዩ። ኣብዚ ዙርያ ዝወጽኡ ሕሜታታት ግን፡ ጃሰን ማላቺ ዝተባህለ ኣሜሪካዊ ደራፊ ዘምጽኦም ድምጻውያን፡ ነተን ስርሓት ከም ዝተጻወቱወን ይገልጹ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c06v270vg76o"} {"headline":"ተጋሩ ስደተኛታት ንምሕጋዝ ዝዓለመ ምርኢት ስእሊ ኣብ ፈረንሳይ ተኸፊቱ","content":"በሰላታት ኲናት ትግራይ ብስራሕቲ ኪነ-ጥበብ ንምግላጽን ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ስደተኛታት ንምሕጋዝን ዝተዳለወ ምርኢት ስእሊ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ርእሰ ከተማ ፈረንሳይ ፓሪስ ተኸፊቱ። እቲ ብትግራይ ኣርት ኮሌክቲቭ ዝተባህለ ኣብ መላእ ዓለም ብዝነብሩ ተጋሩ ሰብ ሞያ ኪነ-ጥበብ ዝተመስረተ ትካል ዘዳለዎ ምርኢት ስእሊ፡ ንሰለስተ መዓልቲ ከምዝፀንሕ ኣዳለውቲ ንቢቢሲ ገሊጸን። ኣብዚ እዋን ኣብ ኳታር ዶሃ ከምእትቕመጥ ትገልጽ በዓልቲ ሞያ ስእሊ፣ ንድፊ፣ ፊልምን ኣኒሜሽንን ጋብሪኤላ ፍረወይኒ ተስፋይ፡ ካብ መስረትቲ ትግራይ ኣርት ኮሌክቲቭ እያ። ንሳ ዕላማ እቲ ትካል ኲናት ትግራይ ዝፈጥሮ በሰላ ብስራሕቲ ኪነ-ጥበብ ንምንፅብራቕ ይሰርሑ ከምዘለዉ ትገልጽ። “ብትግራይ ኣርት ኮሌክቲቭስ ክንሰርሖ እንደሊ ዘለና እቲ ሓደ፡ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ትግራይ ክፈልጡ ምግባር እዩ። ብርግጽ ኩላትና ማሕበረሰብና ዘጋጠሞ ንፈልጦ ኢና። ግን ድማ ካብቲ ልሙድ ወፂእና ብስራሕቲ ስነ-ጥበብ ኣቢልና ንመላእ ዓለም ክንዛረብ ኢና ንደሊ። \"ምኽንያቱ ኩሉሻብ መራኸቢ ማዕከናት ክገልፅዎ ክንጽበ ኣይንኽእል፤ እንተገለፅዎ እውን ከምቲ ንሕና እንሓስቦ ከይኸውን ይኽእል። ስለዚ ከም ተጋሩ ዘጋጥመና ዘሎ ብስነ-ጥበብ ኣቢልና ክንገልጾ የድሊ፤ ስነ ጥበብ ድማ ዛንታ እንነግረሉን እንረዳድአሉን ጽቡቕ መንገዲ እዩ\" ትብል። ኣብ ሃገረ ኣመሪካ እትነብር ዳታ ሳይንቲስትን ሰኣሊትን ማህደር ኣለም ተላ እውን፡ ካብ መስረትቲ እቲ ትካል ሓንቲ እያ። ንሳ ኣብቲ ምርኢት ስእሊ ካብ መላእ ዓለም ናይ ዝተኣኻኸቡ ልዕሊ 16 ሰኣልቲ ተጋሩ ስራሕቲ ከምዝቐረብሉ ተዛሪባ። “እቲ ምርኢት ስእሊ ካብ መላእ ዓለም ዝተኣኻኸቡ ልዕሊ 16 ተጋሩ ሰኣልቲ ስራሕቶም ዘቕርብሉ እዩ። ካብ መቐለ፣ እስራኤል፣ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣውሮጳ፥ ኣመሪካን ካናዳን ዝመጹ እዮም። ብዙሓት ኣብ ትግራይን ካብ ትግራይ ወጻኢ ዘለዉ ተጋሩ ሰብ ሞያ ኣካል እዚ ማሕበር ናይ ምግባር ሓሳብ'ውን ኣለና”ኢላ። ብተወሳኺ ትግራይ ኣርት ኮሌክቲቭስ ዝተፈላለየ ዓውዲታት ስነ-ጥበብ ዝሓቖፈ ማሕበር ከምዝኾነ እውን ማህደር ትዛረብ። “ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ እዩ ዘለና። ሰኣልቲ ጥራሕ ዘይኮኑስ፣ ገጠምቲ ፋሽንን ካልኦት ሙያታትን እውን ዝሓወሰ እዩ። ሕዚ ዘጋጥም ዘሎ፣ ቅድሚ ሕዚ ዘጋጥሙን ዝመጽእን ብኪነ-ጥበብ ኣቢሉ ክግለጽ እዩ” ትብል። ኣብ ቀረባ መዓልትታት ኣብ ኣመሪካ ተመሳሳሊ ምርኢት ስእሊ ኣካይዶም ከምዝነበሩ እትገልጽ ገብርኤላ ተስፋይ፡ ካብ መሸጣ ስእሊ ዝተረኸበ ኣታዊ ንሓደ ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ስደተኛታት ዝሕግዝ ትካል ከምዘወፈይዎ ገሊጻ። ማህደር ብወገና እቲ ኣብ ፓሪስ ንሰለስተ መዓልትታት ዝካየድ ምርኢትን መሸጣን ስእሊ፡ ኣታዊኡ ንካልእ ካልእ ገባሪ ሰናይ ከምዝህብዎ ንቢቢሲ ገሊጻ። “ነቲ ካብ ናይ ፓሪስ ምርኢት እንረኽቦ ኣታዊ፡ ንሓበን ትግራይ ኢና ክነወፍዮ። ሓበን ትግራይ ኣብ ኣመሪካ ዝተመስረተ ትካል ኮይኑ፡ ነቶም ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ዝሕግዝ ምግባረ ሰናይ እዩ። ንሕና ድማ ነቶም ክንበጽሖም እንኽእል ተጋሩ ብስራሕትና ኣቢልና ምሕጋዝ ኣድላዪ ኮይኑ ረኺብናዮ” ኢላ። ትግራይ ኣርት ኮሌክቲቭ ተመሳሰልቲ ምርኢታት ስእሊ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ብቀጻሊ ናይ ምድላው ድልየት ከምዘለዎ እውን እተን ኣዳለዊ ንቢቢሲ ተዛሪበን።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cg3yvj8wkv3o"} {"headline":"ስምይቲ ደራፊትን ተዋሳኢትን 80ታት ኢሪን ካራ ‘ብዘይተፈልጠ’ ሞይታ","content":"ሓንቲ ካብ ትእምርቲ ሰማንያታት ተባሂላ እትግለጽ ስምይቲ ኣሜሪካዊት ደራፊትን ተዋሳኢትን ኢሪን ካራ ኣብ 63 ዓመታ ዓሪፋ። ንሳ ኣብ 1980 ‘Fame’ ኣብ ዘርእስቱ ፊልም ብዝተጸወተቶ ሙዚቃን፡ ኣብታ ከም ሓጋዚት ጸሓፊት ኰይና ዝተዋስኣትላን ዝደረፈታን፡ ሽልማታት ኦስካርን ግራሚን ዝተሸለመትላ ‘Flashdance... What a Feeling’ ዘርእስታ ደርፊ ዝያዳ እትፍለጥ ስነ ጥበባዊት እያ። ሞት ካራ ብወግዒ ዝነገረት ኣወዓዋዒታ [ፓብሊሲስት]፡ ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኣ “ንግዚኡ ብዘይተፈልጠ” ምኽንያት ሞይታ ኢላ። ኢሪን ካራ፡ ብ 1959 ኣብ ብሮንክስ ኒውዮርክ ዝተወልደት ኰይና፡ ካብ ተወላዲ ፑርቶ-ሪኮ ዝዀነ ኣቦን ኩባዊት ኣደን ዝተወልደት መበል ሓምሸይቲ ንስድራኣ እያ። ንፈለማ ግዜ ኸኣ ኣብ ሓደ ብቋንቋ ስጳኛ መደባቱ ዝፍኑ መደበር ተለቪዥን እያ ስራሕ ጀሚራ። ንእስቲ ኰይና ብርክት ዝበሉ ደርፍታት ብቋንቋታት ስጳኛን እንግሊዝኛን ዝደረፈት ኢሪን፡ ኣብ ሓያለ ‘ብሮድወይ’ ሙዚቃዊ ምርኢታት ክትርአ ጀሚራ። እንተዀነ ካራ ኣብ 1980 ተራ ገጸባህሪ ‘ኮኮ ሄርናንደዝ’ ለቢሳ ድሕሪ ምውስኣን ትራክ 'ፈይም' ፊልም ምስ ተጻወተትን እያ ዝና ዘረኸበት። ብዘርኣየቶ ብቕዓት ተዋስኦ ድማ፡ ኣብ 1981 ንብልጽቲ ተዋሳኢት ሽልማት ጐልደን ግሎብ ተሓጽያ። ብድሕሪ’ዚ ካራ፡ ‘ፍላሽዳንስ... ዋት ኤ ፊሊን፡’ እትብል ካብታ ኣብ 1983 ዝተሰርሐት ብልጽቲ ፊልም 'ፍላሽዳንስ' ዝተወስደት ደርፊ ብሓባር ጽሒፋን ደሪፋን፤ ንብልጽቲ ጓል ኣንስተይቲ ፖፕ ድምጻዊት ዝወሃብ ሽልማት ግራሚ፡ ከምኡ’ውን ንብሉጽ መበቈላዊ ደርፊ ዝወሃብ ሽልማት ኣካዳሚን ተዓዊታ። ፍላሽዳንስ ኣብ 1983 ሳልሰይቲ ዝለዓለ ኣታዊ ዝረኸበት ፊልም እያ። ጁዲት ኤ ሙስ ዝተባህለት መወዓውዒት ካራ፡ \"ብሙዚቃኣን ፊልምታታን ንዘልኣለም ዝነብር ሓድጊ ዝገደፈት በዓልቲ ጽቡቕ መንፈስ\" ክትብል ናእዳኣ ገሊጻ። ብተወሳኺ፡ ካራ ክሳብ ዝሞተትሉ እዋን ንዝመጽእ ፕሮጀክትታታ ትሰርሕ ከም ዝነበረት ጠቒሳ፣ ሕጂ ግን ንሳን ኣካያዲ ስራሕ እታ ደራፊትን ኰይኖም ነቲ ዝጀመረቶ ስርሓት ክፍጽምዎ መደብ ከምዘለዎምን ኣብ ገጽ ትዊተር ገሊጻ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c0x74qjl01zo"} {"headline":"ፕረዚደንት ዩክረይን ብሉፅ ሰብ መጽሔት ታይም 2022 ኰይኑ","content":"መጽሔት ታይም ንፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ “መንፈስ ዩክረይን” ብምባል ብሉፅ ሰብ ዓመተ 2022 ገይሩ ሰምይዎ። እዚ ሽልማት ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ኣብ ዘጋጠሙ ዓለማዊ ፍጻመታት ልዑል ጽልዋ ንዝፈጠረ ሰብ ወይ ፍጻመ ዝወሃብ እዩ። ተቓወምቲ ኢራን፡ መራሒ ቻይና ዢ ጂንፒንግን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካን’ውን ካልኦት ኣብ መወዳእታ ብርኪ ዝበጽሑ ሕፁያት 'ቲ መጽሔት ኰይኖም። ኣሰናዳኢ ታይም፡ እዚ ውሳነ “ንዝኽሪ ፍጹም ንጹር ዝዀነ ’ዩ” ኢሉ። ኤድዋርድ ፈልሰንታል፡ “ኣብዛ እናመቓቐለት ዝመጽአት ዓለም፡ ንመንፈስ ሓድነት 'ታ ሃገር ዘደንፍዕ እዩ” ክብል ጽሒፉ። ንሱ ወሲኹ፡ “መንፈስ ዩክረይን” ንዅሎም ዩክሬናውያን፡ እንተላይ ነቶም ኣብ ድሕሪ መጋረጃ ኰይኖም ዝቃለሱን ዝገልጽ ምዃኑ ኣፍሊጡ። እዚ ነቲ ንብኣሽሓት ንዝቝጸሩ ዩክሬናውያን ብዘይ ክፍሊት ዝመገበ ከሻኒ ኢቭገን ክሎፖቴንኮን፡ ነታ ብሩስያ ተማሪኻ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ዝተፈትሐት ዶክተር ዩሊያ ፓዬቭስካን ዘጠቓልል እዩ። መጽሔት ታይም፡ ዘለንስኪ ንዩክሬናውያን ከም ዘነቓቕሖምን ንወራር ሩስያ ንምቅላስ ብዘርኣዮ ትብዓት ብብርኪ ዓለም ኣፍልጦ ከምዝረኸበን ገሊጹ። “ዘለንስኪ ከም መራሒ እዋን ኵናት ዝረኸቦ ዓወት፡ ተሰጋጋሪ ኣብ ዝዀነ ትብዓት ዝተደረኸ’ዩ” ብምባል፡ ነቲ መራሒ መጕሱ። ኣብቲ ኵናት ንዝተጐድኡ ዩክሬናውያን ንምሕጋዝ ናብ ዩክረይን ዝኸደ ብሪጣንያዊ ሓኪም መጥባሕቲ ደቪድ ኖት፡ ኣብ ሽፋን ገጽ መጽሔት ታይም ካብ ዝቐረቡ ብዙሓት ኰይኑ ኣሎ። ደቂ ኣንስትዮ ኢራን ጀጋኑ መጽሔት ታይም 2022 ክዀና እንከለዋ፡ ባንድ ኬ-ፖፕ (K-pop) ብላክፒንክ ድማ፡ ብሉጻት ኣዘናጋዕቲ መጽሔት ታይም (Time's Entertainer) ተባሂለን ተሓርየን። ኣሜሪካዊ ተጻዋታይ በይዝቦል ኣሮን ጀጅ፡ ብሉጽ ኣትለት እዚ ዓመት ክኸውን እንከሎ፡ ማሌዥያዊት ተዋሳኢት ሚሸል ዮህ ድማ ናይዚ ዓመት ብልጽቲ ትእምርቲ (Icon of the Year) መጽሔት ታይም ኰይና ኣፍልጦ ረኺባ ኣላ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተዓዋቲ ዝነበረ ኤሎን መስክ፡ ኣብዚ ዓመት’ውን ናይ መወዳእታ ሕጹይ ኰይኑ ተመዝጊቡ'ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2021 እቲ ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝሰርሕ መኪና ዘፍሪ ተስላ፡ ኣብ ዓለም እቲ ክቡር መኪና ዘፍሪ ትካል ዝብል ኣፍልጦ ናይቲ መጽሔት ተጐናጺፉ'ሎ። መጽሔት ታይም፡ ኣብ 1927 እዩ፡ ብሉጽ ሰብ እዚ ዓመት ዝብል ኣፍልጦ ምሃብ ዝጀመረ። መዝገብ ታሪኽ ብሉጻት ሰባት መጽሔት ታይም ንድሕሪት ተመሊስና ምስ እንርኢ፡ ጀርመናዊ ውልቀ መላኺ ኣዶልፍ ሂትለር ኣብ 1938 ፣ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ 2007 ተዓወትቲ ታይም ኰይኖም ንረኽቦም።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/clj30n7z438o"} {"headline":"ብፍርያት መጸባበቒ  ዓለምለኻዊ ኣቓልቦ ዝረኽባ ዘለዋ ኤርትራውያን ማናቱ","content":"ፈቨን ተስፋሚካኤልን ሄለን ተስፋሚካኤልን ‘ከሽመል ግርባ’ ኣብ ዝበሃል መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን ተወሊደን፡ ፕሮስፒተርያን ቤተክርስትያን ሮቸስተር ኒውዮርክ ብዝገብሮ መደብ ምሕጋዝ ስደተኛታት ድማ፡ ኣብ ካልኣይ ዓመተ ልደተን ምስ ወለደን ናብ ኣሜርካ ዝተሰደዳ  ኤርትራውያን መናቱ ኣሕዋት እየን። እዞም ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ዝረኸቡ ስድራ ቤት፡ ሰለስተ ቘልዑ ሒዞም ኣብ ሓድሽ ባህሊ፡ ክሊማን ሕብረተሰብን ናብራኦም ኣሃዱ ኢሎም ፈለሙ። እቲ ምዕባይ ቈልዑ በዳሂ'ኳ እንተነበረ ብልዑል ጻዕርን ተወፋይነትን ብባህለንን መንነተንን ዝሕበና፡ ወለደንን ሕብረተሰበንን ዘኽብራ ብትምህርተንን ስነ ምግባረንን ዝምስገና ማናቱ ኣዋልድን ክልተ ኣወዳትን ከዕብዮ በቒዖም። ሄለን ብ ዓውዲ፡ መንግስትን ስነሕብረተሰብን ብዲግሪ ተመሪቓ፤ ፌቨን ድማ ብ ብሜድያን ርክባትን ቀዳማይ ዲግሪ፡ ብትምህርቲ ሰብኣዊ ዝምድናታት ከኣ ብኻልኣይ ብዲግሪ ተመሪቓ። እዘን ብፍቕሪ ስድራ ቤት ማሚቘን ዝዓበያ ኣሓት፡ ናብ ሓደ ኮለጅ ክኸዳ'ኳ ድሌት እንተነበረን ኣቦአን ነንበይኑ ተመኵሮ ሂወት ምእንቲ ከጥርያን፡ በበይንኻ ምንባር ክፍትናኦ ንዝሃበን ማዕዳ ተቐቢለን ኣብ በበይኑ ኮለጃት ዘዝመረጾኦ ዓውደ ትምህርቲ ተማሂረን። እተን ኣብ ሂወተን ንመጀመርያ ግዜ ዝተፈላለያ ኣዝየን ዝፋተዋ ማናቱ፡ ኣብታ ቀዳመይቲ ወርሒ ብምሒር ናፍቘት  ከባቢ 300 ዶላር ክሳብ ዝኸፍላ ክደዋወላ ይውዕላ ከምዝነበራ እናሰሓቓ ዘዘንትዋኦ ተዘክሮ እዩ። በብቲ ዝተማህራሉ ዓውድታት እናሰርሓ ከኣ ጐድኒ ጐድኑ'ውን ሓቢረን ምስ ውጥን መርዓ ዝተሓሓዝ ትካል መስሪተን ክሰርሓ ጀመራ። ንከባቢ ሰለስተ ዓመት ምስ ሰርሓ ግን ከምቲ ዝሓለናኦ ስለዘይከደለን ኣቋረጻኦ። ብኡኡ ተስፋ ከይቈረጻ ግን፡ እንታይ እዩ ከሕጕሰናን ከርብሓንናን  ዝኽእል ስራሕ ኢለን ብምምይያጥ፡ እቲ ኣብ ግዜ ቝልዕነተን ንመሓዙተንን ቤተሰበንን (ሜክ-ኣፕ) መጸባበቒ፡ ዝገብራለን ዝነበራ ብምዝካር፡ ኣብ 2019፡ ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ዘለወን መልክዕ ዘጕልሓሉ  2-4-1 ኮስሞቲክስ ዝሰመያኦ፡ ሊፕስቲክን ፈሳሲ ኩሕልን ዘፍሪ ትካል ከፊተን። ነዊሕ ከይጸንሓ ግን ኣብ ዓለምና ኮቪድ 19 ምስተላብዐ፡ ብዙሕ ብድሆን መሰናኽልን ኣጋጠመን። ስርሐንን ፍርያተንን ንኸላልያን መወልቲ ኣካላት ንክረኽባን ኣበርቲዐን ጸዓራ። ይዅን እምበር ኣብቲ ብጸዓዱን ሃብታማት ሰብ ዝናን ዝተዓብለለ ሓያል ውድድር ዘለዎ ኢንዱስትሪ ስነ-ጽባቐ፡ ንራኢአን ኣሚኑ ፋይናንስያዊ ምወላ ዝገብረለን ትካል ይዅን ውልቀሰብ ኣይረኸባን። እንተዀነ እተን ኣሓት፡ ሕጂ'ውን ከይተሰናበዳ ኣብ ገዛእ ርእሰን ብምትእምማን ክንገብሮ ንኽእል ኢና ኢለን ብናተን ንእሽቶ ርእሰ ማል ተበገሳ። ዝሸጣሉ ድኳን ክኸፍታ ዓቕሚ ስለዘይነበረን ከኣ ኣብ ኢንስታግራም ፍርያተን ከላልያን ብ ኦንላይን ክሸጣን ጀመራ። “ኣብ ፈለማ ኵሉ እዩ ዝኸብደካ፣ ዘይትፈልጦ ኣይትፈልጦን ኢኻ፤ ግን ካብታ ዘለኻያ ብዘለካ ምስ እትብገስ ኣብቲ ጕዕዞ እናፈለጥካን እናተመሃርካን እናዓበኻን ኢኻ ትኸይድ። ኣብ ሂወት ተስፋ እንተዘይቈሪጽካን ብትግሃት እንተሰሪሕካን ኵሉ ከም እትበጽሖ ባባን ማማን ብሂወቶም ኣርእዮምና እዮም።  ለይትን ቀትርን ጽዒሮም፡ ኣቦና 8ይ ክፍሊ በጺሑ መጺኡ፡ ናብራ ከየሕመቘ ክሳብ ማስተርስ ተማሂሩ። ኣደና እውን ብወገና ቈልዑ እናዕበየትን ክልተ ስራሕ እናሰርሐት ነርስ ክትመሃር እናረኣናዮም ስለ ዝዓበና ሓቦን ኒሕን ካብኦም ኢና ወሪስናዮን ተማሂርናዮን፡\" ብምባል ብዛዕባ እቲ ኣብ ተወዳዳሪ ንግዲ ብትብዓት ኣትየን ከድምዓ ዘኽኣለን ምስጢር ኣብነታዊ ሂወት ወለደን ምዃኑ ይግልጻ። ስደትን ብድሆታቱን ብኸመይ ይገልጻኦ? ፌቨን፤ ሄለን ሓፍተይ፡ እቲ ሓቦ ኣብ ደምና  ጸኒሑ እያ ትብል። ኣነ'ውን “ታሪኽና ቅድሚ ምውላድና እዩ ጀሚሩ\" ኢለ እየ ዝሓስብ። ብሓቂ ድማ ከምኡ እዩ፤ መጀመርያ ምስ መጻእካ ናይ ባህሊ ብድሆ ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ክሊማ ብድሆ'ውን እዩ ዝኸብደካ። ሃሩር ካብ ዝበዝሖ ቦታ ጸሓይ ናብ ዘይትረኣየሉ ዓዲ በረድ ምስ መጻእካ፡ ባህሊ ጥራይ ዘይኮነስ ክሊማ'ውን እዩ ዝከብደካ፤ ግን፡ ወለድና ነቲ ኣይከውንን እዩ ዝበሃል ክስዕርዎ ስለ ዝረኣና ንዅሉ ክንሓልፎ ኣይተጸገምናን። ዘይከኣል ከምዘየለ ብሂወቶም ኣብነት ዝዀኑና ወለዲ ስለዘለዉን፡ ኣብ ሮቸስተር ዘለዉ ኤርትራውያን ማሕበረኮም እውን ክንዲ ኣኮ፡ ሓወቦ፡ ዓባይናናን ኣባሓጐናን ብምዃን ስለዘማሞቝና ንዅሉ ብድሆ ክንስዕሮን ኣብ ኵሉ መዳይ ሂወትና ብዙሕ ክንዕወት ኣኽኢሉና እዩ። ብኸመይ ኢኽን ናብ ኢንዱስትሪ መጸባበቒ ኣቲኽን? “ማማ ስራሕ ክትከይድ እንከላ ቀይሕ ሊፒስቲክ ክትገብር ንርእያ ስለዝነበርና ምጽብባቕ ከም ነብሰ ክንክን ገይርና ኢና ንወስዶ። እቲ ዘለና ጽባቐ ከነጕልሖ እምበር ንኻልኦት ክንመስል ኣይንደልይን ኢና። መብዛሕትኡ ግን ምስ ናትና ሕብሪ ቆርበት ዝኸይድ ስለዘይነበረ መጀመርያ ንዓና ንጥቀመሉን ንኻልኦት ዝተፈላለየ ሕብሪ ቆርበት ዝውንና ደቀንስትዮ ዘካተተ ፍርያት ሰሪሕና፡\" ብምባል ንኣጀማምራአን የዕልል ስያመ '2-4-1' ኸ እንታይ ንምባል እዩ? [ስሓቅ. . .] መናቱ እንተዄንካ . . . ብዙሕ ግዜ  ክልተ ንሓደ (2 -1) ዝብል ሓደ ልሙድ ኣሜሪካውያን ዝጥቀምሉ ኣበሃህላ ኣሎ። ቀጻሊ ሰባት ከምኡ ክብሉና እንከለዉ፡ ባባ ድማ ዕትብ ኢሉ ዋእ ከምኡ ዝበሃል የለን! ኣብ ክብሪ ርእስን ዲስካውንት ዝበሃል የለን ኢሉ ይምልሰሎም ነይሩ። በዚ ከኣ ከም ደቀንስትዮ ናይ ብሓቂ ኣብ ገዛእ ርእስና ዘሎና ኣረኣእያ ካብ ብንኣሽቱና እናተሃንጸ መጺኡ። በዚ ተዘክሮ ድማ ኢና ነዛ ትካልና 2-4-1 ኢልናያ። እዘን ማናቱ ክኢላታት መጸባበቒ ኣቓልቦ ኦፕራ ዊንፍሪ፡ ቦቢ ብራውንን ካልኦት ዓበይቲ ዓለምና ክስሕባ ዝኸኣላ ክዀና እንከለዋ ብኸመይ እየን ናብዚ ደረጃ'ዚ በጺሐን? ዝረኸባኦ ጥቕሚ ኸ እንታይ ይኸውን? ፌቨን፤  መጀመርያ እዚ ዅሉ ዓወት ውጽኢት ጻዕርናን ኣብ ስራሕ ዘለና ትግሃትን እዩ ኢለ'የ ዝሓስብ። ብተወሳኺ ኵሉ ፍርያትና ኣዝዩ ኳሊቲ እዩ፣ ጸለምቲ ስደተኛታት ምዃንና፡ ማናቱ ምዃንና ኸኣ ናይ ገዛእ ርእሱ ተራ ነይርዎ። ንሕና ንናይ ኣሜርካ ሲስተም ብዝግባአ ፈሊጥና ምስቲ ናትና ኤርትራውነት ጽቡቕ ጌርና ኢና ሃኒጽናዮ። ድሕረ ባይታና ድማ ጽቡቕ ሓጊዙና። 2-4-1 ኮስመቲክስ ምስ ጀመርና፡ ኣብ 6 ወርሑ እዩ ኮቪድ መጺኡ። ብዙሕ ውረድ ደይብ ሓሊፍና ገና ሕጂ ኣብ 3 ዓመትና ኦፐራ ክልተ ግዜ፡ ን2-4-1 ኮስመቲክስ ኣብ ዝርዝር ኣመና እትፈትዎ ፍርያት ረቝሓትና። ኦፕራ ክትረቚሓና እንከላ ኣዝዩ ዓቢ ነገር እዩ። ምኽንያቱ ካብ ኵሉ ሽነኽ ሂወት ኣዝዮም ብዙሓት ሰዓብቲ ስለዘለዉዋ፡ ፍርያትና ኣብ ብዙሕ ክባጻሕ ዓቢ ግደ ነይርዎ፤ ብዙሕ ሰብ ከኣ ፈሊጡና። ብመንገዳ ድማ ምስ ብዙሓት ዓበይቲ ብራንድታትን ጸለውቲ ሰባትን ናይ ምርኻብ ኣፍደገታት ተኸፊቱልና። ብሳላኡ ድማ መሸጣናን ኣታዊናን ክብ ኢሉ።\" ሄለን፤ ነታ 2-4-1 ወብሳይትና ንሰርሓሉ ኣብ ዝነበርና ግዜ፡ ከም ሓውሲ ዋዛ ኣብቲ ድሕረ ገጽና ኣብታ ሮል ሞደል እትብል ሊፕስቲክና መግለጺ ክንጽሕፍ እንከለና፡ ነንሕድሕድና ኦፕራ እንታይ ትብለና 'መስለኪ? እናተበሃሃልና፡ ክንጽሕፎ ዝዝከረኒ።  ሕጂ ምስ ኦፕራ ተራኺብና ጥራክ ዘይኮነ፡ ፍርያትና ናይ ኦፕራ ናይ ሊፕስቲክ ምርጫ ኰይኑ ክርእዮ እንከለኹ እተመለሰ ጸሎት ኣደና ድዩ ወላስ ከምቲ ሰባት ዝብልዎ ሓይሊ ናይ ኣወንታዊ ዘርኢ ምዝራእ እዩ፡ እንድዒ ግን ኣዝዩ ይገርመኒ። ከምቲ ሳይመን ሰዲክ ዝበሎ’ውን፡ “ሰባት እንታይ ትገብር ኣለኻ ዘይኮነስ ስለምንታይ ኢኻ ከምኡ ትገብር ንዝብል እዮም ካባኻ ዝገዝእዎ\" ስለዚ ንሕና ድማ ኣብቲ ወብሳይትና ብዙሕ ዛንታታት ብምእታውና ምስ ሰባት ስምዒታዊ ምትእስሳር ፈጢሩልና። ብዙሓት ሰባት ነዚ ናይ ኦፕራ ምስያም ከም ተወዳዲርና ዝረኸብናዮ ወይ ዝተዓወትናዮ እዩ ዝመስሎም ግን ከምኡ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ ንሶም እዮም ረኺቦም ፍርያትክን ስደዳልና ኢሎምና። ንሕናውን ሰዲድናሎም እዚ ዘግበሮም ድማ ኣነ ከምዝመስለኒ እቲ ዛንታና እዩ ብፍላይ \"Go the extra mile, its never crowded” እትብል ሓረግን ከምዝታት ዘተባብዕን ዘነቃቕሕ ካልእ ብህሎታትን ፍርያትናን ምናልባት እውን ነቲ ሃቐነና ስለዝረኣይዎ እዮም መጀመርያ ረኺቦምና። ተወሳኺ እውን ፍርያትና ንጸለምቲ፡ ጸዓዱን ብርህ ዝበለ ሕብሪ ቆርበት ንዝውንና ደቀንስትዮ ኮታስ ምስ ኵሉ ዓይነት ሕብሪ ዝሰማማዕ ምዃኑ ብዙሕ ብልጫታታት ኣሎዎ። ኦፕራ'ውን ሓተቲ ዑቕባ ክነስና ኣብ ከምዚ ደረጃ ምብጻሕና ብምንኣድ ኣብ መጽሄታ ጠቒሳቶ ኣላ። ኣስመራን ቀይሕ ባሕርን ብዛዕባ ዝተሰምዩ ፍርያትክን ከ? ምስላ ኣፍሪቃውያን ኣሎ፣ ንላዕሊ እናደየብካ ክትከይድ እንከለኻ፡ እታ ኣስካላ ኣበይ ከም ዘቐመጥካያ ዘክር ይብሉ። ማለት ካበይ ከም ዝመጻእካ ክትርስዕ የብልካን። ምኽንያቱ እቲ ቀንዲ መሰረት ንሱ ስለዝዀነ። ንሕና ድማ ኣብ ውሽጥና ንሃገርና ብዙሕ ነገር ክንገብር ኢና ዝብል ዓሚቝ ስምዒት ኣሎና። ኣብ ሃገርና ጽርግያታት መሳለጥያታትን ካልእ ብዙሕ ንህዝብና ከነበርክት ሕልምና እዩ። ልብና ኣብኡ ስለዘሎ ኢና ድማ ንገለ ካብቲ ፍርያትና፡ ኣስመራ፡ ቀይሕ ባሕሪ ብምባል ሰሚናዮ። እዚ በቲ ሓደ ምስ ርእሰ ከተማና ሌላ ንዘይብሎም ብዛዕባ ሃገርና ክንነግሮም ዕድል ይህበና። ስለ ዝዀነ ኣብ ኵሉ ኤርትራ ክትጽዋዕን ክትፍለጥን የኽእላ እዩ። ኣስመራ ሊፕስቲክ ኣብ ማእከል ዓበይቲ ብራንድታት ዓለምና ተሰሪዑ ክትርእዮ እንከለኻ ካብኡ ዝዓቢ ሓበን የለን። ኣብ ስደት ብብዙሕ ውረድ ደይብ ንዝሓልፋ ደቀንስትዮ ዘለክን መልእኽቲ? ግደ ሓቂ ክንዛረብ ሎሚ ንስኺ ክትዕድምናን እዚ ዅሉ ረኺብናዮ ዘሎናን ክንረኽብ ዝኸኣልና ልዕሊ ሰብና ነፊዕና ዘይኰንናስ፡ ዕድልን ኣጋጣምን ስለዝረኸብና እዩ። ብርግጽ ድማ ኣብ ኤርትራ ይዅን ኣብ ዝተፈላለየ መዓስከራት ስደተኛታታት ዘለዋ ኣሕዋትና ካባና ንላዕሊ ክገብራ ከምዝኸእላ ንኣምን ኢና። ካብ ተመኵሮና ክንዛረብ እንተዄንና ኵሉ ግዜ ንሓደ ነገር ክበጽሖ እየ እንተኢልካ ከም ትብጽሖ ክንነግረን ከነዘኻኽረን ንደሊ። ካልእ'ውን በቲ ዘለካን ኣብቲ ዘለኻዮን ኴንካ ኢኻ ክትብገስ ዘሎካ። ስለዚ ብኣጋኡ ብሕቶታትን ፍርሕን ኣይትከልከላ። ምኽንያቱ ዘይበጻሕካዮ ክትፈልጥ ኣይትኽእልን ኢኻ። እቲ ጕዕዞ ምስ ጀመርካዮ ግን እናተማሃርካን ብዙሕ እናፈለጥካን ስለ እትኸይድ ኣጆኽን ክንብለን ንፈቱ። መጻኢ መደባትክን? መጀመርያ ከም ኤርትራውያን ዜጋታት ንህዝብና ብእንኸእሎ ክንሕግዝ እቲ ዝዓበየ ራኢና እዩ። ብዘይካ'ዚ እውን ኣብ መጻኢ ፍርያትና  ኣብ ሃገርና ኣትዩ ህዝብና ተጠቃሚ ክኽውን ሕልምና እዩ። ኣነን ሄለንን እውን ኣብ ኣፍሪቃ መጺእና ከነውፍር ዓቢ መደብ ኣሎና። ኣፍሪቃውያን ንኣፍሪቃ ከይዶም ዘይተበርበረ ጸጋታት ክጥቀምሉ እውን ንእግረ መንገድና ንላቦ፡ ብምባል የዕልላ። ወላዲአን ኣቶ ተስፋሚኪኤል ዮሃንስ እውን ንዓወት ደቁን ኣተዓባብያአንን ኣመልኪቱ፡ “ኣነን በዓልቲ ቤተይን፡ ከም ኣቦን ኣደን ሓድነትን ስምረትን እንተ ሃልዩካ ውሉድካ ኣብ ቁም ነገር ክበጽሑ ይኸእሉ እዮም ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣሎና። ካብ መጀመርያ  ገንዘብ ከምዘይነበረና ንፈልጥ ኢና። ጸለምቲ ኢና፡ ግናኸ ኩሩዓት ኢና፡\" ይብል። ኣተሓሒዙ ኣቶ ተስፋሚኪኤል፡ ስለዚ ንደቅና ገንዘብ ዘይኰነ ንሓድሕድካ ፍቕሪ፡ ምክብባር፡ መን ምዃንናን ካበይ ከምዝመጻእናን ብግሉጽ ብምንጋር ኢና ብዘለና ፍቕሪ ስራሕን ትሕትናን ኣርኣያ ክንኰኖም ፈቲንና፡ ይብል። \"መንነትና፡ ያታና፡ ባህልናን ታሪኽናን ኵሉ ከይሓባእና ምንጋርና መሰረቶም ክፈልጡን ብስርዓት ክኸዱን ጠቒሙና እዩ፡” ብምባል  ኣቦአን እውን ብወገኑ ወድን ጓልን ኢሉ ከየዳለወ ማዕረ እቶም ኣወዳት እናረኣየ ከምዘዕበየንን እዚ ድማ ካብ ህጻንነተን ርእሰ ተኣማንነት ክዓብያ ከምዘኽኣለን ይዛረብ። ኣብ ርእሲ'ዚ፡ “ሰባት ብዛዕባ መልክዐን ክዛረቡ እንከለዉ ንሕና ብዛዕባ ብልሐንን ልቦንናአንን እናነገርና ኢና ኣዕቢናየን። ርእሰ ተኣማንነተን፡ ኣብ ገዛእ ርእሰን ዘለወን ኣመላኻኽታ፡ ንሰባት ዘለወን ኣኽብሮትን ብዝግባእ ሃኒጽናዮ ኢና፡\" ኢሉ። ኣብ መወዳእታ ኣቶ ተስፋሚኪኤል ዮሃንስ፡ \"ደቅና ኣብ መስተን ኣብ ካልእ ናይ ጸጋም ጐደናን ከይከዳ ሓሲብና ኣይንፈልጥን ኢና። ምኽንያቱ፡ ካብ ህጻንነተን ብዝግባእ መልሚልና ኢና ኣዕቢናየን። ብዓቢኡ ድማ ኣምላኽ ሓጊዙና።  ከምዚአን ውሉድ ስለዝሃበና ነመስግኖ።” ክብል ወለዲ ንደቆም ኣብ ምቕራጽ ዝኽተልዎ ኣገባብ ኣተዓባብያ፡ ኣብ ሂወት ደቆም ዓቢ ተራ ከምዝጻወት ይገልጽ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cjkj06md74vo"} {"headline":"1.5 ቢልዮን ዶላር ተሸይጡ ክብረወሰን ዝሰበረ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት","content":"ብነፍስሄር ተሓጋጋዚ መስራቲ ማይክሮሶፍት ፖል ኣለን ዝውነኑ ስእልታትን ቅርጻታትን ክብረወሰን ብዝሰበረ ዋጋ 1.5 ቢልዮን ዶላር ተሸይጦም። እቲ መሸጣ ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ ሓራጅ ስነ-ጥበብ ከምዝኾነ እቲ ኣብ ዓለም ብቀጥታን ብኢንተርኔትን ብዘካይዶ ሓራጅ ዝፍለጥ ክርስቲስ ይሕብር። እቲ ቤት ሓራጅ፡ ስርሓት ቪንሰንት ቫን ጎግ፡ ጆርጅስ ሴውራት፡ ፖል ጎጉይን፡ ፖል ሴዛንን ጉስታቭ ክሊምትን ነፍሲ ወከፎም ልዕሊ 100 ሚልዮን ዶላር ከምዝተሸጡን፡ እዚ ድማ ንውልቃዊ ክብረወሰን ናይቶም ስነጥበባኛታት ከምዝሰበረን ገሊጹ። ካብቲ መሸጣ ዝተረኸበ ኣታዊ፡ ኣለን ኣብ 2018 ቅድሚ ምሟቱ ይድገፎም ንዝነበሩ ትካላት ግብረ ሰናይ ክወሃብ እዩ። እቲ ዝኸበረ ዋጋ እቲ ብ1888 ዝተሰርሐን Les Poseuses, Ensemble (ንእሽቶ ቅዲ) ብዝብል ዝፍለጥ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ሴውራት፡ ክፍሊቱ ሓዊሱ 149.2 ሚልዮን ዶላር ከምዘውጽአ ክርስቲስ ገሊጹ። እቶም ኣዝዮም ሃብታማት ዓለምና፡ ኣብ ሞንጎ ዕግርግር ዝመልኦ ዓለማዊ ቁጠባን ኲናት ዩክረይንን ንስነ-ጥበብ ከም ውሑስ ወፍሪ ይርእይዎ ከምዘለዉ ክኢላታት ይዛረቡ። ካልኦት ክብረወሰን ዝሰበሩ ስርሓት ድማ ናይ ቫን ጎግ ‘ኦርቻርድ ዊዝ ሳይፕረስ’ ብ117.2 ሚልዮን ዶላር፡ ናይ ጋውጊን ‘ማተርኒቲ II’ ብ105.7 ሚልዮን ዶላር ፡ ከምኡ’ውን ናይ ክሊምት ስርሓት ‘በርች ፎረስት’ ብ104.6 ሚልዮን ዶላር ተሸይጦም ኣለዉ። ቅርጻታት ኣሌክሳንደር ካልደርን ማክስ ኤርንስትን ሓዊሱ ናይ ጆርጅያ ኦኪፍ፡ ክላውድ ሞኔት፡ ዴቪድ ሆክኒ፡ ኣንድሪው ዋይትን ፓብሎ ፒካሶን ስእልታት እውን ካብቶም ዝተሸጡ እዮም። ጠቕላላ ዋጋ ናይቶም ስራሕቲ፡ ድሮ ነቲ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ዝተቐመጠ ክብረወሰን ዝሰበረ ኮይኑ ኣሎ። ኣብቲ እዋን ብ922 ሚልዮን ዶላር ዝተሸጠ ፍርያት ስነጥበብ ብሃብታማት መጻምድቲ ኒውዮርክ ዝውነን ነይሩ። ሚስተር ኣለን ኣብ 1975 ምስ ናይ ቁልዕነት ዓርኩ ቢል ጌትስ ብሓባር ንማይክሮሶፍት መስሪቱ’ዩ። ኣብ 2009 ብሕማም ኖን-ሆጅኪን ሊምፎማ ተሓኪሙ’ኳ እንተነበረ፡ እቲ ሕማም ተመሊሱ ብዘስዓቦ ጸገማት ኣብ 2018 ሞይቱ። ኣብ 2010 ድሕሪ ሞቱ ዝበዝሕ ሃብቱ ንማሕበራት ግብረ ሰናይ ክገድፎ ቃል ኣትዩ። ኣብቲ እዋን ብ13.5 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ሃብቲ፡ ኣብ ዓለም መበል 37 ሃብታም ሰብ ከምዝነበረ መጽሔት ፎርብስ የመልክት። ካብቲ ዝእክቦ ንብረት ተወሳኺ 90 ዝኸውን ስራሓት ሓሙስ ክሽየጥ እዩ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1g19lyp7po"} {"headline":"ህቡብ ተዋስኣይ ስኲድ ገይም ብጾታዊ ትንኮያ ተኸሲሱ","content":"78 ዓመት ዝዕድመኡ ሽማግለ ህቡብ ተዋስኣይ ፊልም ‘ስኲድ ገይም’ ኦ ዮንግ ሱ፡ ኣብ 2017 ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብዘይግቡእ መንገዲ ብምትንካዩ ብጾታዊ ትንኮያ ከም ዝተኸሰሰ ሰበስልጣን ቤት ፍርዲ ደቡብ ኮርያ ገሊጾም። እንተዀነ ሚስተር ኦ ዮንግ ነቲ ክሲ ከምዝነጸጐ ማዕከናት ዜና 'ታ ሃገር ኣቃሊሐን። ንሱ፡ ኣብታ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣብ ቻርት ነትፍሊክስ ቀዳማይ ደረጃ ዝሓዘት ፍልይቲ ተኸታታሊ ፊልም ስኲድ ገይም ብሉጽ ደጋፊ ተዋሳኣይ ተባሂሉ ሽልማት ወርቃዊ ግሎብ ዝዓተረ ናይ መጀመርታ ደቡብ ኮርያዊ ተዋስኣይ እዩ። እታ ግዳይ እየ ኢላ ክሲ ዘቕረበት ሰብ፡ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ታሕሳስ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ ሚስተር ኦ ዮንግ ሱ ናብ ፖሊስ ጥርዓን ከምዘቕረበት ማዕከን ዜና ዮንሃፕ ሓቢሩ፤ እንተዀነ ኣብ ልዕሊ ሚስተር ኦ ክሲ ከይመስረተት ኣብ ሚያዝያ እቲ ፋይል ተዓጽዩ። ሕጂ ግን፡ \"ብሕቶ ናይታ ግዳይ\" እቲ መርመራ ዳግማይ ተኸፊቱ ከም ዘሎ ዓቃብ ሕጊ ኣፍሊጡ። ብተወሳኺ ሚስተር ኦ ብዘይ ማእሰርቲ ተኸሲሱ ከምዘሎ ተፈሊጡ’ሎ። ድሕሪ እዚ ክሲ፡ ሚኒስትሪ ባህሊ ከተማ ሶል፡ ንሚስተር ኦ ዘርኢ ዝዀነ ንግዳዊ መደብ ምፍናው ደው ክብል ከምዝወሰነ፡ ኤኤፍፒ ኣቃሊሑ። ስኲድ ገይም፡ ልዑል ተፈታውነት ዝረኸበት ተኸታታሊት ፊልም ነትፍሊክስ ኰይና፡ ብዕዳ ዝተታሕዙ ሰባት ዓቢ ሽልማት ገንዘብ ንምርካብ ኣብ ቀታሊ ተኸታታሊ ጸወታታት ቈልዑ ኣትዮም ዝወዳደሩላ እያ። ዮንግ ኦ ኣብቲ ውድድር ብዕድመ ዝዓበየ ተሳታፊ ኰይኑ ይዋሳእ። እታ ብ 17 መስከረም 2021 ዝተዘርግሐት ደቡብ ኮርያዊት ‘ስኲድ ገይም’ ዘርእስታ ፊልም ብህዋንግ ዶንግ ዝተደርሰትን ዝተኣልየትን ኰይና፡ ንኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ወሲኽካ፡ ኣብ 90 ሃገራት ብቕጽበት ክትበጽሕ ዘኸኣለት ህብብቲ ፊልም ነትፍሊክስ ተባሂላ እያ። እዛ ፊልም ምስ ተዘርግሐት ኣብ ውሽጢ 28 መዓልታት 142 ሚልዮን ረኣይቲ ዝረኸበት፣ “ኣብ መዓልቲ መመረቕታኣ ብብዝሒ ዝተራእየት” ተባሂላ ኣብ ነትፍሊክስ ኣብ ቅድሚት ዝተሰርዐት’ውን እያ። ኣብታ ነትፍሊክስ ኣብ ሃገራ ዘይትፈቅድ ቻይና’ውን፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣብ መንጐ ሰባት እናተሰግገረት ብሰፊሕ ከም ዝተራእየት ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ’ውን መዛረቢትን መካትዒትን ዝዀነት ህብብቲ ፊልም እያ። እዛ ፊልም፡ ኣብቶም 456፡ በብመንገዶም ብዕዳ ዝተዋሕጡ ገጸ-ባህሪያት ዝሽክርከርን ናይ 45.6 ቢልዮን ዋን [ባጤራ ደቡብ ኮርያ] ሽልማት ዘውህብ ጸወታ መንጸፍ ዛዕባ-ዛንታኣ ዝገበረት እያ። እቲ ነነዊሕ ክፋላት ናይዛ ፊልም ዝሸፈነ ቀንዲ ጸወታ፡ ኣብ ሓደ ዘይፍለጥ ብውሽጥን ብግዳምን ብጽኑዕ ዝሕሎ ደሴት ዝተሃንጸ ስቱር ኣዳራሽ ዝካየድ እዩ። ኣብዛ ፊልም ብዙሕ ቅትለትን ንምርኣዩ ዘጸገም ጭካነ ዝመልኦ ምርኢታትን’ኳ እንተሎ፡ ምኽንያት ተረኣይነታ ብሓፈሻ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኵነታት ዝቕላዕ ዝተፈላለየ ባህሪን ኣተሓሳስባን ሰባትን፣ ንእንነብሮ ዘለና ዓለማዊ ቁጠባዊ ስርዓትን ሳዕቤናቱን እተንጸባርቕ ብምዃናን ምዃኑ ተንተንቲ ፊልም ይግምግሙ። ደራሲን ዳይሬክተርን ህዋንግ፡ ‘ህቡብነት ናይዛ ፊልም፡ ተስፋ ቈረጽ ኰይኖም ዝዓበዩ፣ ሂወቶም ከኣ ነቲ ጸወታ ቈልዑ ዝዀነ፡ ክጻወቱን ዘሎ ባጫ እተርኢ ካብ ምዃና ዝነቅል እዩ’ ይብል። ብተወሳኺ፡ ነቲ [ብፍላይ ኣብ ኰርያ] ዝውቱር፡ ቀሊልን ፍቱውን ዝዀነ ጸወታ፡ ምስቶም ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታን ምኽንያታትን ዝደረኾም እዅላት ሰባት ዘማዕብልዎ ኣተሓሳስባ ተቐናቢሩ ቍምነገር ከሕልፍ ዝሓለነ ፊልም ከም ዝቐርብ ምግባር’ውን ዝተራእየ ጥበብ’ውን ንህቡብነት ናይዛ ፊልም ወሲኹሉ እዩ። ኣብ ርእሲኡ፡ ብዙሕነት ናይቶም ጠባያት ማለት፣ ካብ ዝተፈላለየ ደርቢ፡ ማሕበራዊ ከባብ፡ ባህልን ሃገራትን ዝመጽኡ ምዃኖም’ውን ተዓዘብቲ ምስኣቶም ክደናገጹ ክስዕብዎምን ኣኽኢሉ እዩ። ህዋንግ፡ ካብ ውልቀ ተመኵሮኡን ትዕዝብቱን ነቒሉ፡ ኣብ ኰርያ ንዘሎ ርእሰማልነትን ቍጠባዊ ደርባዊ ቓልስን ከም መበገሲ ብምውሳድ፡ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዘይምዕሩይ ምቕርሐ ሃብትን ግብትና ርእሰማላውያንን ዘይፍትሓውነትን ንምንጽባራቕ ዓሊሙ ከም ዝጸሓፋ ገሊጹ’ሎ። ኣብዛ ፊልም ዝተንጸባረቐ’ውን ብገለ መዳዩ ርእሰ ማልነት ዝፈጠሮ ቅልውላውን ሳዕቤኑን እዩ። እቶም ብዝዀነ መገዲ ናብራኦም ክቕይሩ ላሕ ዝብሉ ድኻታት ከኣ መዘናግዒ ናይቶም ሃብታማት ኰይኖም ይረኣዩ። ኣብ መወዳእታ ታሽዓይ ክፋል ናይዛ ፊልም ከም ዝተጋህደ ኸኣ፡ ካብቶም 456 ተጻወትቲ፡ እቲ ሕጂ ብኽሲ ጾታዊ ትንኮያ ተኸሲሱ ዘሎ፡ መለለዪ ቝጽሪ ሓደ ተዋሂብዎ ዝነበረ፡ ብሕማም ረሲዕ ዝጥቃዕ ሽማግለ፡ ኣመና ሃብታም ኰይኑ ነቲ ዝናፍቘ ጸወታ ምእንቲ ክጻወት ዘዋደዶ ምንባሩ እዩ። እዚ ኸኣ ንምሉእ ቴማ ናይቲ ፊልም ዝጠመረ እዩ። ብሓፈሻ ግን፡ እቲ እቶም ድኻታት ገንዘብ ምእንቲ ክረኽቡ ዝገብርዎ ምጽዳፍ፡ ምጭኽኻን ኣሕሊፍካ ምውህሃብን ካልእን ነቶም ርእሰማላውያን መዘናግዒኦም ጥራይ ምዃኑ እዩ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1dd1wn2xno"} {"headline":"ኣፋዚያ፡ ብሩስ ዊልስ ስርሑ ጠጠው ከብል ዝገበረ ሕማም ኣፋዚያ እንታይ'ዩ?","content":"ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሆሊውድ ኣብ ዘፍረዮም Pulp Fiction ከምኡ'ውን the Die Hard ዝበሉ ዓበይቲ ፊልምታት ዝሰርሐ ውሩይ ተዋሳኢ ብሩስ ዊልስ ካብ ምውሳእ ከም ዝተሰናበተ ተገሊጹ ነይሩ። ወዲ 67 ዓመት ብሩስ ዊልስ፡ እቲ ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን ክእለት ዘዳኽም ኣፋዚያ ዝተባህለ ሕማም ኣእምሮ ከም ዘለዎ ስድራ እቲ ተዋሳኢ ገሊጾም። እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኢንስተግራም ሓበሬታ ዝሃቡ ኣባላት ስድራ፣ በዓልቲ ቤቱ ኢማ ሄሚን-ዊልሰንን በዓልቲ ቤቱ ዝነበረት ዴሚ ሞርን፡ ኣብዚ ኣጸጋሚ እዋን ሓገዝ ንዝገበርኩምልና ኣድነቕቱ ነመስግን ኢለን። \"ብዙሕ ነገራት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብሩስ፡ ካብቲ ንዕኡ ብዙሕ ትርጉም ዘለዎ ሞይኡ ይወጽእ ኣሎ። እዚ ግዜ ንስድራቤትና ኣዝዩ ፈታኒ እዋን'ዩ፤ ስለዚ ንቐጻሊ ፍቕርኹም፣ ሓልዮትኩምን ደገፍኩምን ንንእድ\" ክብሉ ኣብቲ ሓበራዊ መግለጺኦም ጠቒሶም። ኣፋዝያ ብድሕሪ ኣብ ሓንጎል ዘጋጥም መጉዳእቲ ዝስዕብ ናይ ምዝራብ ጸገም'ዩ። መብዛሕትኡ ግዜ መብዛሕትኦም ደቂ ሰባት ንክዛረቡ ኣብ ዘኽእል ጸጋማይ ክፍሊ [ገሊኦም ኣብ የማናይ ሸነኽ ብዘሎ ይጅምሩ] ሓንጎል እዩ ዘጋጥም። እዚ ምዝባዕ ጥዕና፡ ብቐንዱ ብወቕዒ ልቢ [ስትሮክ] ዘጋጥም ኮይኑ ብምኽንያት ኣብ ርእሲ ዝበጽሕ ጉድኣት፣ ሕበጥ ርእሲ፣ ኣብ ግድግዳ ሰራውር ደም ዘጋጥም ድኽመት ዝፈጥሮ ምዕባይ ቱቦ ደም [ኣነውሪዝም]፣ ረኽሲ ወይ ካልእ ንተገንዝቦኣዊ ክእለት ሓንጎል ዘጥቅዑ ከም ጽላለ ዝበሉ ሕማማት ዝመጽእ እዩ። ኣብ ጉዳይ ብሩስ፡ መንቀሊ ጥዕናዊ ጸገሙ እንታይ ምዃኑ እቶም ስድራቤት ኣይገለጹን። \"በሓፈሻ፡ ኣፋዝያ ኣብ ዘለዎም ሰባት ዝተለመዱ ባህርያት፡ ሓሳብ ናብ ዘረባ ወይ ናብ ናይ ቃላት ጽሑፍ ክልውጡ ምጽጋም፣ ካልኦት ሰባት ዝበሉዎ ነገር ምርዳእ፣ ምንባብን ገለ ኣካላዊ ምንቅስቓሳት ምግባር ክጽገሙ እንከለው'ዩ\" ይብል ኣባል ኣካዳሚ ስነ መትኒ ብራዚል በዓል ሞያ ስነ መትኒ ሌናርዶ ቴለስ። ብዓይነት ሓደ ሕሙም ኣፋዚያ ዝጽገሞን ኣብ ልዕሊ ሓንጎል ዝበጽሐ ጉድኣት ንምፍላጥ ብዝግበር መርመራ ስነ መትንን ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣፋዚያ ምህላዎም ምፍላጥ ይክኣል። 1. ሕጽረት ናይ ቃላት ዘስዕብ ኣፋዝያ - Non-fluent aphasia ነዚ ዓይነት ኣፋዚያ ዘቃልዕ ውቃዕ፡ ቀዳሞት ክፍልታት ሓንጎል ብቐንዱ ድማ ናይ ቅድሚት ከባቢታት የጥቅዕ። እዚኦም ናይ ምዝራብ ቅልጣፈ እጃም ዘለዎም'ዮም። ብሓፈሻ፡ እዞም ሰባት ዝሰምዑዎ ነገር ምርዳእ ይኽእሉ፤ መብዛሕትኡ ዝዛረቡዎ ሓሳባት ዝተማልአ ስለ ዘይኸውን ግን ንምዝራብ ብዙሕ ይጽገሙ። በዚ ዓይነት ሕማም ኣፋዚያ ዝሳቐዩ ሰባት ኣዝዮም ዝተፈለዩ'ዮም። ኣብ ክንዲ ዝዛረቡዎ ቃላት ምስኣን፡ ዝዛረቡዎ ነዊሕ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ትርጉም ዘይብሎም እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ዝዛረብሉ ግዜ ክትርድኦም ዘይትኽእል ወይ'ውን ዋሕዚ ዘይብሎም መልእኽታት ክኾኑ ይኽእሉ። ነዚ ሕማም ዝግበር ሕክምና መንቀሊ እቲ ጸገም እንታይ'ዩ ኣብ ዝብል ዝተሞርኮሰ እዩ። \"መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ሕማም ብወቕዒ ልቢ ዝስዓበ እንተኾይኑ፡ ጎና ጎኒ ጥንካረ ንክረኽቡ ዝግበረሎም ሕክምና ፊዚዮቴራፒ ኣብ ቋንቋ ትኹረት ንክገብሩ ናይ ምዝራብ ሕክምና ይወሃቦም\" ትብል ኣብ ርእሰ ከተማ ብራዚል ክኢላ ስነ መትኒ ዶክተር ታስ ኣጉስታ ማርቲንስ። ነዚ ሕማም፡ ብኣጋ ዝጅመር ክትትል ሕክምና ድማ ዝሓሸ ውጽኢት ከምጽእ ከም ዝኽእል ሓቢራ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60982110"} {"headline":"ስነ ጥበብ ኣብ ዓድኻ ኮይንካ ምስ ዝስራሕ'ዩ ብልጫ ዘለዎ","content":"ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ስነ ጥበባዊ ሲራክ ሚካኤል ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዩጋንዳ ካምፓላ ዝቕመጥ ኮይኑ ስነ ጥበብ ኣብ ዓድኻ ኮይንካ ምስእትሰርሖ'ዩ ብልጫ ዝህልዎ ይብል።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61950010"} {"headline":"ኣላይ ፊልም ብላክ ፓንተር ናይ ባንኪ ጕሒላ ተባሂሉ ብጌጋ ከምዝተኣሰረ ተገሊፁ","content":"ኣላይ ናይቲ ስሙይ ፊልም ብላክ ፓንተር ካብ ናይ ባዕሉ ባንኪ ገንዘብ እንተውፅእ፡ ብገበን ጕሕለት ባንኪ ብጌጋ ተኣሲሩ። ራያን ኩግለር ካብ ናይ ባዕሉ ባንኪ 12 ሽሕ ዳላር ወፃኢ እንትገብር እዩ፡ ጕሒላ ተባሂሉ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ኣትዩ። ሰራሕተኛ እቲ ባንኪ ኩግለር ገንዘብ ከውፅእ ምስ ረኣየት ንሓለቕኣ ብምሕባር፡ ኩግለር ብፖሊስ ክተሓዝ ገይራ። ወዲ 35 ዓመት ኣላይ ፊልም ኩግለር ቲኤምዚ ንዝበሃል ማዕኸን ዜና ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ \"ፈፂሙ እዚ ክኸውን ኣይምተገበአን። እንተኾነ ባንኪ ኣሜሪካ ነቲ ኩነታት ስለዘብራህረሀለይ፡ ተረዳዲእና ኢና ተፈላሊና\" ኢሉ። ኩግለር፡ ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከምኡ'ውን ቆቢዕ ምስ መነፅር ገይሩ እዩ ናብቲ ባንኪ ኣትዩ። ናብ ሰራሕተኛ እቲ ባንኪ ቅርብ ኢሉ ድማ፡ ካብ ባንኪ ሒሳቡ 12 ሽሕ ዳላር ኣውጺኣ ክትህቦ ሓተታ። እንተኾነ ነታ ሰራሕተኛ ባንኪ፡ እቲ ገንዘብ ሰብ ኣብ ዘይተኣከበሉ ቦታ ክቑፀር ከምዝሓተታ ተገሊፁ። ኩግለር፡ መለለይ መንነት ኣብ ዝተሓተተሉ እዋን፡ ትኽክለኛ መለለይ መንነት'ዩ ኣርእዩ። እቲ ገንዘብ ምስ ጥዕና ቤተሰቡ ንዝዛመድ ጉዳይ ከምዝደለዮ ንፖሊስ ዝሓበረ እቲ ኣላይ ፊልም፡ ምስ ብዝሓት እቲ ገንዘብ መንነቱ ክፍለጥ ከምዘይደለየ ኒውዮርክ ታይምስ ፀብፂቡ። እታ ሰራሕተኛ ባንኪ ነፍሰ ፆርን ከም ኩግለር ፀላምን ብምዃና፡ ንድሕንነታ ብምስጋእ ንፖሊስ ከምዝጠቆመት መራኸብቲ ሓፋሽ ሓቢረን። ናብቲ ባንኪ ዝመፅአ ፖሊስ፡ ንኮግለር ብካቴና ብምእሳር፡ ካርዲ መለለይ መንነቱ ርእዩ ምስኣፃረየ'ዩ ፈቲሕዎ። ነዚ ፍፃመ ኣመልኪቱ መግለፂ ዝሃበ ባንኪ ኣሜሪካ፡ \"እዚ ስለዘጋጠመ ብጣዕሚ ኢና ሓዚንና። ንኩግለር ድማ ይቕረታ ንሓትት\" ኢሉ። ኣብ 2018 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዝወፅአ ብላክ ፓንተር ቀልቢ ብዙሓት ዝሰሓበ ፊልም'ዩ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60687949"} {"headline":"ፍሉጥ ኤርትራዊ ተዋሳኣይ ፊልም ስዒድ ኣንዋር ከምዝዓረፈ ተፈሊጡ","content":"ፍሉጥ ኤርትራዊ ተዋሳኣይ ፊልም ስዒድ ኣንዋር ሳልሕ ኣብ መበል 38 ዓመቱ ከምዝዓረፈ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም። ስዒድ፡ ንሓጺር መዓልታት ሓሚሙ ኣብ ሕክምና ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ረፋድ ኣብ ኣስመራ ከም ዝዓረፈ፡ ብጾቱን መሳርሕቱን ካብ ኣስመራ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም። ኣብ ሓያለ መድረኽ ድራማታት፡ ንጽል ፊልምታት፡ ተኸታተልቲ ፊልምን ዝሰርሐ ስዒድ፡ ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ እዩ። ብፍላይ ኣብታ ካብ ታሕሳስ 2019 ኣትሒዛ ኣብ ቲቪ ኤረ ትርአ ዘላ \"ማጨሎ\" ዘርእስታ ህብብቲ ተኸታታሊት ፊልም \"ዮሴፍ [ጆሲ]\" ዝብል መሪሕ ጠባይ ለቢሱ ክዋሳእ ምጽንሑ ዝያዳ ይፍለጥ። ኣብ ኣስታት 50 ፊልምታት ኤርትራ ከምዝተዋስአ ዝንገረሉ ስዒድ፡ ኣብ 1984 ኣብ ኣስመራ፡ ኣኽርያ ዝተባህለ ከባቢ ከምዝተወልደ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት ተዛሪቡ ነይሩ። ኣብ ዓውዲ ስነጥበብ ድራማ፡ ፈለማ ቤት ትምህርቲ ዝጀመረ፡ ስዒድ፡ ኣብ ማሕበር መንእሰያት'ውን ነቲ ዝነበሮ ጥሙሕ ከምዘማዕበሎ ገሊጹ ነይሩ። ስነስርዓት ቀብሩ ጽባሕ ሰዓት 4 ድሕሪ ቐትሪ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም ትጽቢት ይግበር። ኣብ ፈለማ 2003 ካብ ድራማ፡ ናብ ፊልም ኣብ ዝተሰጋገረሉ፡ ኣብታ \"ነውጺ\" እትብል ፊልም ንፈለማ እዋን ከምዝተዋስአ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ምስ 'ናቲ ተቪ' ዝተባህለ ናይ ዩቱብ ቻነል ዝገበረ ቃለመሕትት ጠቒሱ ነይሩ። ብዝያዳ ግን፡ ኣብታ መበል 124 ክፋል በጺሓ ዘላ ኣብ መንግስታዊት መደበር ተለቪዥን ኤሪ-ቲቪ ኤርትራ እትቐርብ ተኸታታሊት ፊልም \"ማጨሎ\" እዩ ዝፍለጥ። ኣቐዲሙ'ውን፡ ኣብታ ካብ ታሕሳስ 2017 ጀሚራ ክሳብ ሚያዝያ 2019 ዝቐጸለት 67 ክፋላት ዝነበራ፡ ብሚኒስትሪ ምክልኻል ዝተዳለወትን ኣብ ኤሪ-ቲቪ ዝተቓለሐትን \"ንጣብ ዝኽሪ ዘመን\" እትብል ድራማዊት ፊልም ተዋሲኡ ነይሩ'ዩ። ካብተን ዝፈትወን ፊልምታት እታ \"ኣፍሮ\" እትብል ምዃና'ውን ኣብቲ እዋን ገሊጹ ነይሩ። ስዒድ፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ፡ በቲ ዝነበሮ ሞያ፡ ንሃገሩ ወኪሉ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ንምስታፉ ዓቢ ሕልሚ ዝነበሮ ምንባሩ ይፍለጥ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61411190"} {"headline":"ዊል ስሚዝ፡ ን10 ዓመት ካብ ኦስካር ተኣጊዱ","content":"ፍሉጥ ኣሜሪካዊ ተዋስኣይ ዊል ስሚዝ፡ ኣብ ልዕሊ ተዋዛዪ ክሪስ ሮክ ዝገበሮ ጽፍዒት፡ ካብ ኦስካር ይዅን ካልእ ጽንብላት ኣካዳሚ ን 10 ዓመታት ተኣጊዱ። እቲ ኣካደሚ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መበል 94 ጽንብል ምዕዳል ሽልማት ኦስካር፡ \"ዊል ስሚዝ ኣብ መድረኽ ደይቡ ብሰንኪ ዘርኣዮ ዘይቅቡልን ጐዳእን ባህሪ ተደዊኑ፡\" ይብል። ዊል ስሚዝ፡ ንተግባሩ ይቕረታ ብምሕታት፡ ብገዛእ ፍቓዱ ካብቲ ኣካዳሚ ለቒቝ እዩ። ክሪስ ሮክ ኣብቲ ኣጋጣሚ ንዝተላጸየ ጸጕሪ ርእሲ በዓልቲ ቤት ስሚዝ ኣልዒሉ ክዋዘ ምስ ፈተነ እዩ፡ ስሚዝ ተቘጢዑ ናብ መድረኽ ደይቡ ነቲ ተግባር ፈጺምዎ። በዓልቲ ቤት ስሚዝ፡ ጠንቂ ምልጻይ ጸጕሪ ርእሳ፡ 'ኣሎፐሽያ' ዝተባህላ ሕማም ምዃኑ ቅድሚ ሕጂ ተዛሪባ ነይራ። ሓደ ሰዓት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ድሕሪ'ቲ ፍጻመ፡ ዊል ስሚዝ፡ ኣብታ ከም ኣቦ 'ተን ፍሉጣት ተጻወትቲ ተኒስ ዝዀና ኣሕዋት ጸለምቲ ኣሜሪካውያን፡ ቨኑስን ሰሬናን ዊልያምስ ኰይኑ ዝዓየየላ ፊልም \"ኪንግ ሪቻርድ\" ንዝተጻወቶ ተራ፡ ብሉጽ ተዋስኣይ ተባሂሉ ተሸሊሙ እዩ። እቲ ነዚ ሽልማት ዘዳሉ ኣካዳሚ ጥበብ ተንቀሳቓሲ ምስልን ሳይንስን፡ ንዲሲፕሊናዊ መቕጻዕቲ ስሚዝ ኣመልኪቱ ብዓርቢ ርክብ ኣካይዱ። ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ኣብ ልዕሊ ስሚዝ ተወሰነ እገዳ፡ ክብሪ ናይቶም ነቲ ጽንብል ዘድመቝ ዓየይትን ዕዱማትን ምሕላው፣ \"ተኣማንነት 'ቲ ኣካዳሚ ድማ ምዕቃብ፡\" ምዃኑ ይገልጽ። ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ናይ ሽዑ ኣጋጣሚ፡ ብዛዕባ'ቲ ሃንደበታዊ ተጓንፎ 'ጽፍዒት' ብዝግባእ መጠን ኣብቲ ኣዳራሽ ከምዘይተዘርበሉ እቲ ኣካዳሚ ብምጥቃስ፡ \"ዘይጽቡይ ስለዝነበረ እዩ፡\" ብምባል ድማ ይቕረታ ሓቲቱ። ብኻልእ ወገን እቲ ኣካዳሚ፡ ክሪስ ሮክ ኣብቲ ከምኡ ዝበለ ዘይንቡር ኵነታት፡ ስምዒቱ ተቘጻጺሩ ክቕጽል ንዘርኣዮ ህድኣት ኣመስጊኑ። ዊል ስሚዝ፡ ኣብ ዝጸሓፎ መልቀቒ ደብዳበ፡ \"እምነት 'ቲ ኣካዳሚ ኣጉዲለ እየ፡\" ብምባል፡ ብሰንኪ ብተግባሩ ልቡ ከም ዝተሰብረ ገሊጹ ነይሩ። ብሰንኪ ዘይእሩም ተግባሩ ክስዕብ ዝኽእል ኵሉ፡ ክቕበል ምዃኑ'ውን ገሊጹ ነይሩ። ካብ ኦሳካር ምልቃቕ ማለት፡ ኣብ ቀጻሊ ኣብ ኦስካር መሰል ምድማጽ ኣይህልዎን ማለት እዩ። እዚ ዲሲፕሊናዊ ውሳነ ን 18 ሚያዝያ ክኸውን ተወሲኑ'ኳ እንተነበረ፡ ስሚዝ ባዕሉ ካብ ኦስካር ክለቅቕ ድሕሪ ምሕታቱ ግን ክቀላጠፍ ክኢሉ። ቅድሚ ሕጂ፡ ካብ ኦስካር ዝለቐቝ ሒደት እዮም። ኣርባዕተ ካብኣቶም፣ ኣፍራዪ ሃርቪ ዊንስተን፣ ተዋስኣይ ቢል ኮስቢ፣ ዳይሬክተር ሮማን ፖላንስኪ ከምኡ'ውን ሲነማቶግራፈር ኣዳም ኪመል ምስ ጾታዊ ብዕልግና ብዝተኣሳሰር ዝቐረበሎም ክሲ ክኸውን እንከሎ፣ ተዋስኣይ ካርሚን ካሪደ፡ ንዕኡ ተባሂሉ ዝተዋህቦ ቪድዮ ብዘይግቡእ ኣጋባብ ብምጥቃሙ ኣብ 2004 ዝተሰጐጕ እዮም። ኣብ ልዕሊ ዊል ስሚዝ ዝቐንዐ ዲሲፕሊናዊ መለክዒ ፡ ሓያለ ዲሲፕሊናዊ ኣማራጺታት ማለት፣ ካብ ዝስዕቡ ጽንብላት ኦስካር ምእጋድ፣ ምስራዝ ወይ ምምላስ እዚ ሕጂ ዝወሰዶ ሽልማት ዝብል ነይርዎ እዩ። ኣብ ታሪኽ ኦስካር፡ ክሳብ ሕጂ ሓደ ሽልማት ጥራይ እዩ ከም ዝምለስ ተገይሩ። ንሱ ድማ ኣብ 1969፡ ንደኩመንታሪ ፊልም \"ያንግ ኣመሪካን\" ንዝሰርሐ ተዋሂቡ ዝነበረ፣ ድሒሩ ግን ኣይግብኦን ተባሂሉ ዝተመልሰ እዩ። ኣባል ቦርድ ኣካዳሚ፡ ዊፒ ጐልድበር ኣብ መወዳእታ'ቲ ዝሓለፈ ወርሒ፡ 'ስሚዝ ከቢድ ሳዕቤን ክወርዶ እዩ፣ እንተዀነ፡ እቲ ሽልማት ኣይከነሕድጐን ኢና' ክብል ኣሚቱ ነይሩ። ብዘይካ'ዚ ኣካደሚ፡ ብውሕዱ ክልተ ካብ ፍሉጣት ስቱድዮታት ፊልም ዝዀና ሶኒን ነትፍሊክስን ምስ ስሚዝ ዝነበረን ፕሮጀክት ኣዛሕቲለናኦ ኣለዋ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61052170"} {"headline":"ዊል ስሚዝ፡ ካብ ኣካደሚ ኦስካር ተኣልዩ","content":"ኣመሪካዊ ህቡብ ተዋስኣይ፡ ዊል ስሚዝ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ስነስርዓት ምዕዳል ሽልማት ኦስካር፡ ንተዋዛዪ ክሪስ ሮክ ምስ ጸፍዖ፡ ካብ ኦስካር ኣካደሚ ብገዛእ ፍቓዱ ከም ዝተኣለየ ኣፍሊጡ። \"ኣብ መበል 94 ስነ ስርዓት ሽልማት ኣካዳሚ ኣዋርድስ፡ ዝፈጸምክዎ ተግባር ዘሰነንብድ፣ ዘቐንዙን ይቕረ ዘይበሃሎን እዩ፡\" ኢሉ። ኦስካር ኣካዳሚ፡ ነቲ መልቀቒ ደብዳበ ዝተቐበለ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኣብ ጕድለት ስነምግባር ኣመልኪቱ ክወስዶም ዝጀመሮም ስጕምቲታት ግን ከም ዝቕጽለሉ ገሊጹ ኣሎ። ዊል ስሚዝ ናብ መድረኽ ብምድያብ ንክሪስ ሮክ ኣምሪሩ ብጽፍዒት ክሃርሞ እንከሎ፡ ናብ መንበሩ ተመሊሱ ኰፍ ምስ በለ ድማ ብሕርቃን፡ \"ሽም በዓልቲ ገዛይ\" ኣይተልዕል ክብል ንክሪስ ሮክ ገኒሕዎ። በዓልቲ ገዛ ዊል ስሚዝ ጄዳ ፒንኬት ናብቲ መድረኽ ሽልማት ክትመጽእ ከላ ጸጉሪ ርእሳ ምሉእ ብምሉእ ዝተላጽየ ነይሩ። ፒንኬት፡ 'ኣለፒሽያ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ጸጕሪ ዘጥፍእ ጸገም ጥዕና ከም ዘለዋ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣቢላ ኣፍሊጣ ነይራ።ጸኒሑ ግን ስሚዝ፡ ብሉጽ ተዋስኣይ ብዝብል ሽልማቱ ኣብ ዝተቐበለሉን መደረ ኣብ ዘስምዓሉን ይቕሬታ ሓቲቱ'ሎ። ንሱ ኣቦ ናይተን ኣብ ግጥማት ቴኒስ ስሙያት ዝኾና ቬነስን ሰሪና ዊልያምን ኮይኑ ብዝተዋስአሉ 'ኪንግ ሪቻርድ' ኣብ ዘርእስቱ ፊልም ብዘርኣዮ ብሉፅ ብቕዓት'ዩ ነቲ ሽልማት ተዓዊቱ። ስሚዝ፡ \"ዝጐዳእኹዎም ዘርዚርካ ኣይውዳእን። ክሪ፡ ኣባላት ስድራኡ፡ ኣዕሩኽተይ፡ ፈተውተይ፡ ነቲ ስነስርዓት ዝከታተሉ ዝነበሩ ዕዱማት ኣጋይሽ፡ ኣብ ደገ ኾይኑ ካብ መላእ ዓለም ነቲ ስነስርዓት ዝነበረ ተዓዛቢ\" ኢሉ። \"እምነት 'ቲ ኣካደሚ እየ ኣጕዲለ። ኣብቲ ስነስርዓት ምዕዳል ሽልማት ብብቕዓቶምን ክእለቶምን ብሉጻት ኮይኖም ሽልማት ዝቕበሉ ዝነበሩ፡ ከይሕጎሱ ገይረ፤ ልበይ ተሰይሩ 'ዩ።\" እቲ ተዋስኣይ፡ ደጊም ዓለምለኻዊ ትኹረት ናብቶም ብሉጻት ተዓወትቲ ክኸውን ከምዝደሊ'ውን ሓቲቱ። ከምዚ ክብል ድማ ዛዚሙ፡ \"ለውጢ ግዜ ይሓትት እዩ። ንኻልኣይ ግዜ፡ ምኽንያታዊ እምበር፡ ዓመጸኛ ንዘይምዃን በርቲዐ ክሰርሕ እየ\" ኢሉ። ፕረዚደንት እቲ ኣካዳሚ፡ ዴቪድ ሩቢን፡ ደብዳበ መልቀቒ ስራሕ ዊል ስሚዝ ተቐቢሉ ከምዘሎ ብምርግጋጽ፡ እንተኾነ፡ እቲ ትካል ዝጀመሮ ስጉምቲ ጉድለት ስነምግባር ከምዝቕጽለሉ ገሊጹ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ድሕሪ እቲ ተጓንፎ፡ ሮክ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ ኩነታት ኣብ ኣእምሮኡ ይመላለሶ ከምዘሎ ተዛሪቡ።ክሪስ ክሮ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝተፈላለዩ ከባብታት እናዞረ ናይ ምውዛይ ስራሓቱ ቀጺሉ ኣሎ። እቲ ወዲ 57 ቀያዒ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኣመሪካ ዋዛኡ ኣብ ዘቕርበሉ እዋን፡ ዕዱማት ኣጋይሽ ደው ኢሎም ክቕበልዎን ከኽብርዎን ተራእዩ። ሮክ ኣብ ልዕሊ ስሚዝ ዝኾነ ገበናዊ ክሲ ከም ዘይመስርት ምፍላጡ ዝዝከር እዩ። በዓልቲ ገዛኡ ንዊል ስሚዝ፡ ተዋሳኢት ጄዳ ፒንኬት፡ ኣብ ኢንስተግራም \"ሕጂ ናይ ሕውየት ግዜ'ዩ\" ክትብል ጽሒፋ ነይራ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60964905"} {"headline":"ሰባት ን‘NFT’ ሚሊዮናት ንምኽፋል ድሕር ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ?","content":"ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ቀንዲ ኣጀንዳታት ኣፍቀርቲ ምዕራባውያን መራኸብቲ ብዙሃን፡ ስነ ጥበብን ክሪፕቶክረንሲን እቲ ሓደ NFT (ኤንኤፍቲ) ኰይኑ ቀንዩ'ሎ። ኣብ ስርዓተ ክሪፕቶከረንሲ ብሎክቸይን ዝተመስረተ ኤንኤፍቲ፡ ኣቓልቦ ብዙሓት ረኺቡ እዩ። ቅድም ሓደ ዓመት ሓደ ህንዳዊ መንእሰይ ንሓደ ዲጂታዊ ስነጥበብ ብ67 ሚሊዮን ዶላር ምዕዳጉ መዛረቢ ኰይኑ ነይሩ። ካብ መስረቲ ትዊተር ሓደ ዝኾነ ጃክ ዶርሲ ፈላማይ ትዊቱ ብኤንኤፍቲ 2.9 ሚሊዮን ዶላር ምሻጡ እውን፡ ንብዙሓት ሰባት ዘደነቐ ኰይኑ እዩ። NFT- Non-fungible token ዝብል ምሕጻረ-ቓል ዝውክል እዩ። ክልሰ-ሓሳብ ኤንኤፍቲ ንምርዳእን ከመይ ከምዝሰርሕን ንምፍላጥን መጀመሪያ ክንርድኦም ዝግብኣና ቀንዲ ነገራት ኣለዉ። ቀዳማይ፡ ’non-fungible token’ ቍጠባዊ ትርጕም ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ክልሰ-ሓሳብ ብሎክቸይን እዩ። መዝገበ ቃላት ኦክስፎርድ ኢኮኖሚክስ፡ ፈንጀብል (Fungible) ዝብል ቃል “ሓደ ኣቕሓ ወይ ንብረት ብኻልእ ተመሳሳሊ ኣቐሓ ክቕየር ዘለዎ ዓቕሚ’ ማለት ከምዝኾነ ይገልጽ። ንኣብነት 10 ቕርሺ ብ 2 ነናይ ሓሙሽተ ቕርሺ ክልወጥ ይኽእል እዩ፤ ስለዝዀነ 10 ቕርሺ መተካእታ ኣለዎ ማለት እዩ። non-fungible (ናን-ፈንጀብል) ማለት ድማ ብኣንጻሩ መተካእታ ዘይብሉ ማለት ይኸውን። ነዚ ኣብነት ዝኾነና፡ ሊዮናርዶ ዳ ቪንቺ ብኢዱ ዝሰኣሎ ስእሊ ሞናሊዛ ክኸውን ይኽእል። እዚ ስእሊ ሓደ ጥራይ እዩ ዘሎ፤ ብኻልእ ክትካእ ስለዘይኽእል 'ናን-ፈንጀብል' እዩ። መስርሕ ብሎክቸይን ብሚሊዮናት ዝቝጸሩ ኮምፒዩተራት ሕድሐድ ብምትእስሳር፡ ኣብቲ መስርሕ ዝግበሩ ምልውዋጥ ወይ ዕዳጋታት መንግስቲ ይዅን ባንክ ጣልቃ ንኸይኣትው ሰኒዱ ዝሕዝ እዩ። ብሎክቸይን ዝምዝግቦም ዕዳጋታት፡ ኣብ ሚሊዮናት ኮምፒዩተራት ስለዝቕመጥ ብሰርሰርቲ መጥቃዕቲ ክፍጸሞ ኣይክእልን። ኣብ ብሎክቸይን መስርሕ ብዝተደረተ ኤንኤፍቲ ሓደ ዲጅታዊ ስነጥበብ ክንዕድግ ከለና ቅድሚኡ መን፡ መዓስን ብኽንደይን ከምዝዓደጎ ከምኡ'ውን ዋናኡ መን ከምዝኾነ ክንፈለጥ የኽእለና። ልዕል ኢሉ ዝርአ ስእሊ ብ69 ሚሊዮን ዶላር ዝተዓደገ እዩ። ዝዀነ ይዅን ሰብ ነዚ ስእሊ ክርእዮ ይኽእል እዩ፤ ኣብ መንደቕ ገዛኡ ዝሰቐሎ'ውን ይህሉ። ሰባት ካብ ኢንተርነት ከውርድዎ ዝኽእሉ ስእሊ ስለምንታይ ምዕዳግ ኣድልይዎም? ነዚ መልሱ፡ ሰባት እንኮ ወነንቲ ዲጂታዊ ስእሊ ክኾኑ ስለዝደልዩ፣ ከምኡ'ውን ኣማራጺ ወፍሪ ከም ዝዀነ ይጥቀስ። መስርሕ ብሎክቸይን፡ ሰባት ወነንቲ ናይቲ ‘መበቆላዊ ቅዳሕ’ ዲጂታዊ ስነጥበብ ከምዝኾኑ የረጋግጸሎም። ኤንኤፍቲ ሓደ ሰብ ብኻልእ ሰብ ዘይውነኑ መበቆላዊ ቅዳሓት ዲጂታዊ ስነ ጥበብ ኣኪቡ ክሕዝ የኽእሎ እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት፡ ክሪፕቶከረንሲታት ዋጋኦም እናወሰኸ ስለዝመጸ ሰባት ኣብ ኤንኤፍቲ እንተዝዋፈሩ ዝበለጸ መኽሰብ ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ጋዜጠኛ ቢዝነስ ኢንሳይደር ግሬስ ኬይ ትገልጽ። ግሬስ ኬይ፡ ናይ ሓደ ኤንኤፍቲ ዋጋ ዝትመን ብድልየት እቲ ዓዳጋይ ከምዝኾነ ክነስተውዕለሉ ዝግባእ ነገር እዩ፡ ትብል። ሰባት ክኸፍሉ ፍቓደኛታት ብዝዀንዎ መጠን፡ ዋጋ ኤንኤፍቲ ክልዕልን ክትሕትን ይኽእል እዩ። ብዙሓት ሰባት፡ ቶማስ ብዝብል ሽም ዝፈልጥዎ ኮሚዲያን እዮስያስ ኣብ ቀረባ እዋን ክልተ ዲጂታዊ ስራሓቱ ብኤንኤፍቲ ሸይጡ እዩ። ልዕል ኢሉ ዝርአ ስእሊ፡ ብ0.1 ኢትሪየም (ኣስታት 9 ሽሕ ቅርሺ) ሸይጡ። ኮሜዲያን ቶማስ፡ “ኤንኤፍቲ ነገራት ክቐሉ እናገበረ እዩ . . . ንቐጻሊ ኣብ ስነጥበብ ንዝተዋፈሩ ሰባት ጽቡቐ ነገር ሒዙ ክመጽእ እዩ” ብምባል ኣብ ኤንኤፍቲ ዘለዎ ተስፋ ይገልጽ። “ኣብ ቀጻሊ፡ ዋጋ ብኢድ ዝሰኣሉ ኣሳእል እናነከየ፡ ዲጂታዊ ኣሳእል ድማ እናወሰኸ ክኸይድ እዩ” ብምባል ትጽቢቱ ይገልጽ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c03pdny987po"} {"headline":"ብሩስ ዊልስ ብሰንኪ ኣፋዝያ ዝተብሃለ ሕማም ኣእምሮ ካብ ምውሳእ ተሰናቢቱ","content":"ዉሩይ ናይ ሆሊዉድ ተዋሳኢ ብሩስ ዊልስ ብሰንኪ ናይ ምዝራብን ናይ ምጽሓፍን ክእለትካ ዘዳኽም 'ኣፋዝያ' ዝተብሃለ ሕማም ኣእምሮ ካብ ምውሳእ ዓለም ከምዝተሰናበተ ተፈሊጡ። ብዓልቲ ቤቱ ኢማ ሀሚንግ ዊልስ፡ ብዓልቲ ቤቱ ነበር ሰሚ ሚርን ካልኦት ስድራ እቲ ውሩይ ተዋሳእን ንኹነታት ብሩስ ዊልስ ኣመልኪቶም ብረቡዕ'ዮም ብኢንስታግራም ሓበሬታ ሂቦም። እቲ ብስድርኡ ዝተውሃበ መግለጺ \"ኣፋዝያ ናይ ምግንዛብ ዓቕሙ ኣዳኺምዎ'ዩ\" ይብል። ወዲ 67 ዓመት ብሩስ ዊልስ በታ ኣብ 'ዳይ ሃርድ' ትብል ፊልም'ዩ ዝያዳ ህቡብነት ረኺቡ። እቲ ስድርኡ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ \"ንኹሉ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካብቲ ንዕኡ ኩሉ ነገር ዝነበረ ምውሳእ ተኣልዩ ኣሎ\" ድሕሪ ምባል \"እዚ ንስድራና ኣዝዩ በዳሂ ግዜ\" ይብል። እቲ ኣብ 1980ታት ምውሳእ ዝጀመረ ብሩስ ዊልስ፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብታ ኣብ መደበር ተለቪዥን ኤቢሲ ዝተመሓላለፈት ''ሳይቢል ሸፐርድ ኣርእስታ ፊልም'ዩ ተዋሲኡ። ኣብ 1988 'ዳይ ሃርድ' ኣብ እትብል ፊል ጆን ማክላን ኮይኑ ምስ ተዋሰአ ኸኣ ናይ ምውሳእ ዓቕሙ ብኹሉ ክምስከረሉ ጀሚሩ። ካብኡ ጀሚሩ ኸኣ ኣብ ከም 'ሲክስዝ ሰንስ' ፡ 'ኣርማጌዶን' ከምኡ'ውን 'ፑልፕ ፊክሽን' ኣብ ዝብል ፊልምታት ብምስራሕ ብምስራሕ ሽሙ ክብ ከብል ክኢሉ። ብሩስ ዊልስ ሓሙሽተ ግዜ ንሽልማት ጎልደን ግሎብ ክሕጸ እንከሎ ሓሙሽተ ግዜ ተዓዋቲ ኣህጉራዊ ሽልማታት ኮይኑ። ብዙሓት ተዋሳእቲ፡ ብሩስ ዊልስ ብዘጋጠሞ ሕማም ጓሂኦም ገሊጾም ኣለዉ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60937413"} {"headline":"ቀታሊ ስነ ጥበባዊ ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ራፐር ኒፕሲ ሃስል ብቕትለት ገበነኛ ዀይኑ ተረኺቡ","content":"ብ2019፡ ኣብ ከተማ ሎስኣንጅለስ ስም እናጥረየ ዝዓቢ ዝነበረ ኤርትራዊ ዝመበቆሉ ኣመሪካዊ ስነ ጥበባዊ ራፐር ኒፕሲ ሃስል ብጥይት ከም ዝተቐትለ ይዝከር። ቀታሊኡ ወዲ 32 ዓመት ኤሪክ ሆልደር  ገበነኛ ኰይኑ ስለ ዝተረኸበ ብቕትለት ተፈሪዱ’ሎ። ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ፡ ቤት ፍርዲ ንሽዱሽተ ሰዓታት መርትዖታት ድሕሪ ምስማዕ እዩ ንሆልደር ገበነኛ ኰይኑ ስለ ዝረኸቦ ብቕትለት ክፍረድ ወሲኑ። ብሃስል ዝጽዋዕ ኤርሚያስ ኣስገዶም፡ ኣብ ኣፍ ደገ ናይ ክዳውንቲ ዱኳኑ፡ ንሸውዓተ ዓመት ብዝፈልጦ ወዲ ገዛውቱ ኤሪክ ሆልደር እዩ ብጥይት ተቐቲሉ ሞይቱ። ድሕሪ ምማቱ፡  ስነ ጥበባውያን ብጾቱን ኣፍቀርቲ ኢንዱስትሪ ሙዚቃን ብሓበራ ናይ ሓዘን ዝኽሪ ገይሮሙሉ። ኣብቲ ፍጻመ ካልኦት ክልተ ሰባት’ውን ብጥይት ብምህራሙ፡ ብኽልተ ፈተነታት ቅትለት’ውን ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኽበ ሆልደር፡ ኣብ ዝመጽእ መስከረም ኣብ ዝወሃብ ፍርዲ፡ ንሕለፈት ክፍረድ ከምዝኽእል ይግልጽ። ኤሪክ ሆልደርን ኒፕሲ ሃስልን ኣባላት ናይ ሓንቲ ጕጅለ ዓዋሉ ናይቲ ከባቢ’ዮም ኔሮም። ሆልደር ኣቐዲሙ’ውን ንሃስል ክቐተሎ ከም ዝዀነ የፈራርሕ ነይሩ። መሰኻኽር ከም ዝገለጹዎ፡ ክልቲኦም ንዓሰርተ ደቒቕ ኣቢሎም ምስ ተሰሓሓቡን  ሃስል ምስ ፖሊስ ከም ዝተሓባበር ወረ ምስ ሰምዐን ክልተ ሸጓጉጥ ሒዙ ተመሊሱ እዩ ተኲሱ ቀቲሉዎ። እቶም ንቐታሊ ዝጣበቑ ጉጅለ፡ [ስምዒቱ ምቁጽጻር ምስ ሰኣነ] ሽዑ ንሽዑ እዩ ኣብቲ ቦታ ተኲሱ ቐቲሉዎ እኳ እንተበሉ፡ እቲ መጋባእያ ግን እቲ መጥቃዕቲ ደይ መደይ ኢሉ ወጢኑ ዝገበሮ እዩ ንዝብል እዮም ተቐቢሎሞ። ሃስል ምስ ሞተ፡ ኣብ ናይ 2019 ሽልማት ስነ ጥበብ፡ ብሉጽ ኣርቲስት ሂፕ ሆፕን ሽልማት ሰብኣውነትን ተዋሂቡዎ። ኣብ ቀብሩ ልዕሊ 20,000 ሰባት ተሳቲፎም።  ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ከኣ \"ንዝኽሪ ዝበቅዕ ሓድጊ\" ብምሕዳጉ ንኢዱዎ ። ኣብ ሎስኣንጅለስ ዝነብር  ኣባል ማሕበረሰብ ዓዋሉ ነበር ሃስል፡ ነቲ ካብ ሙዚቃ ዝረኸቦ ገንዘብ ንጽጉማት ጐረባብቱ ንምሕጋዝ የውዕሎ ነይሩ። ድሕሪ ሞቱ፡ ኣባላት ቤት ምኽሪ እታ ከተማ \" ናይ ምዕራባዊ ገማግም ጅግና\" ክብሉ ብምስማይ: ኣብቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሎስኣንጅለስ ዝርከብ ገዛውቲ ንዘሎ ሓደ መስቀላዊ መገዲ፡  \"ኣደባበይ ኒፕሲ ሃስል\" ተባሂሉ ክስየም ወሲኖም። ብርያኒታ ኒኮልሰን እትበሃል፡ ምስ ሆልደር ርክብ ዝነበራን ጓለንስተይቲ፡ ብግዲ ንቐታሊ ናብ ቦታ ቅትለት ብመኪና ወሲዳ ዝመለሰቶ ኰይና፡ እቲ ቐታሊ ቅድሚ ምትኳሱ ብረቱ ከቀባብል እንከሎ ከም ዝረኣየቶ ኣብ ቤት ፍርዲ መስኪራ።\\n\\nንሳ፡ ንሃስል ኣብ ጥቓ እቲ ማራቶን ዝተባህለ እንዳ ክዳውንቲ ድኳኑ፡ ዝኣዘዙዎ መግቢ ክወስዱ እንከለው ከም ዝረኣይዎን፣ ሆልደር እናጐየየ ከይዱ ዓው ኢሉ፡ ንሃሰል፡ \"ሓሳዊ ዲኻ ዝበልካኒ ?\" ክብሎ እንከሎ ከም ዝሰምዐት ተዛሪባ። እታ እቲ ቀታሊ ንክእሰር ኣንፈት ዝመርሐት፡ ወይዘሪት ኒኮልሰን፡ እቲ ብቕትለት ዝተፈርደ ሆልደር፡ ቁሩብ መግቢ ድሕሪ ምብላዕ ካብ መኪናኣ ወጺኡ ከይዱ ንሃሰል ከም ዝቐተሎ መስኪራ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ነቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ሆልደር \"ብዙሓት እሱራት ውልቀ-ሰባት\" ከም ዝቐጥቀጡዎ እቶም ተኸላኸልቲ ጉጅለ ጠበቓታቱ ምስ ቢቢሲ ሽርክነት ንዘለዎ ማዕከን ዜና ሲቢሲ ሓቢሮም። እቶም እሱራት ንሆልደር ኣብ ከባቢ ርእሱ ብመላጸ ከም ዝጠብሑዎን ኣብ ሕክምና ቁስሉ ከምእተሰፍየን ተሓቢሩ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv27znk0xk0o"} {"headline":"3,000 ዶላር ዝግመት ወርቂ ንስደተኛ ኣደታት ዝለገሰ ስነ ጥበባዊ መርከብ ቦኒታ","content":"መርከብ ባርያጋብር (ቦኒታ) ‘ሂፕሃፕ ጓይላ’ ብዝበሃል ሓድሽ ቅዲ ሙዚቃ ትግርኛ ዝፍለጥ ስነ ጥበባዊ እዩ። ኣፍላ መንእሰይ ኮይኑ ኣብ ከተማ መቐለ ሙዚቃ ዝጀመረ መርከብ፡ ዛጊድ ልዕሊ 20 ዝበጽሑ ንጽል ዜማታት ሰሪሑ። ካብኣተን ኣግርጭው፡ ተጐምጸጽ፡ ማርሺ ቀይር፡ ጉጅምጅምን ካልኦትን እተን ፍሉጣትን ኣብ ዩትዩብ ብሚልዮናት ተረኣይነት ዝረኸባ ዝጥቀሳ ስርሓቱ እየን። ቦኒታ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝተወለዐን፡ ጠንቂ ሞትን ምፍንቓልን ሚልዮናት ዝዀነን ኲናት ድማ፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን ንዝርከቡ ተፈናቐልቲ ብዝገብሮ ሓገዛት ዓቢይ ኣድናቆት ረኺቡ ኣሎ። ኲናት ትግራይ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ዝጀመርሉ፡ መርከብ እውን ልክዕ ከም ካልኦት ስነ-ጥበባውያን፡ ኣብ ስርሓቱ ሃተምተም ይብል ነይሩ። ድሕሪ እቲ ኲናት ልክዕ ከም ካልኦት ስነጥበባውያን ተጋሩ ኣብቲ ልሙድ ሞያኡ ክነጥፍ ኣይከኣለን። “ኵሉ ትልሚታትና፡ ዕላማታትና፡ ኣብ ናትና ናይ ሙዚቃ ኢንዳስትሪ ጀሚርናዮ ዘይተወደአ ናይ ፍቕሪ ስራሕቲ ስለ ዝነበሩ፡ ቪድዮ ክሊፓት ሰሪሕናን ደኺምናን፡ ኣጉል ተሪፎም፡” ይብል። እቲ ኲናት ንስነጥበብን ስነጥበበኛታት ተጋሩን ብሓፈሻ ብኣሉታ ከም ዝጸለዎም እውን ካብ ተመኵሮኡ የረድእ፡፡ “ናይ ፍቕሪ ክትሰርሕ እንከለኻን ናይ ዓዲ ክትሰርሕ እንከለኻን ተቐባልነቱ በበይኑ እዩ። ኣብ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ኵሉ ስለዝምልከቶ እትረኽቦ ቅርሺ እውን ብዙሕ እዩ። ብናይ ኮንሰርት ስራሕቲ ዓለም ክንዘውር እንተለና ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን የስርሑና ነይሮም። ናዓና ምንም ማለት ኣይኮነን ናይ ህዝብና ነገር ይዓቢ። ኰይኑ ግን እቲ ኲናት ንሙዚቃ ትግርኛን ተጋሩ ኣርቲስትታትን ግን ንድሕሪት ጐቲቱና እዩ።” መርከብ፡ ዋላ'ኳ ኣቐዲሙ ካብ ዝተለሞም ስራሕቲ እንተበዀረን ኣቐዲሙ ዝረኽቦ ዝነበረ ኣታዊታት እንተሰኣነን፡ ግዜኡ፡ ክእለቱን ገንዘቡን ነቶም ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም ከርፋሕ ናብራ ስደት ዝመርሑ ዘለዉ ወገናቱ ምሕጋዝ፡ “ዕግበት” ከም ዝፈጥረሉ ይገልጽ። ብሰንኪ ኲናት ተፈናቒሎም ኣብ መዓስከራት ሱዳን ንዝርከቡ ተጋሩ ንምሕጋዝ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝተዳለወ ምርኢት ሙዚቃ ንምስታፍ፡ ንፈለማ እዋን ናብ ሱዳን ዝተጓዕዘ መርከብ ቦኒታ፡ እቶም ዝረኣዮም ጸገማት፡ ሓንሳብ ተቐልቂሉ ከይጠፍእ ከም ዝገበርዎ ይዛረብ። ዛጊድ “ሓሙሽተ ግዜ” ናብቲ መዓስከር ተመላሊሱ፤ ሰለስተ ግዜ ድማ ምርኢት ሙዚቃ ኣቕሪቡ። እቲ ምድላው ነቶም ተፈናቀልቲ “ንምድርራዕ” እምበር ኣታዊ ዝረኽበሉ ኣይኮነን። “ምእንቲ ደስ ክብሎም ዝተፈላለዩ ኣርቲስታት ሒዘሎም ይኸይድ እየ፤ ሙዚቃ ነቕርበሎም። በቲ ሙዚቃ ርእሶም ክምለስ ንገብር። ዳርጋ ዘይተሰደድና፣ ስደትና ኣርሲዕኻና ዝብሉ እውን ኣለዉ። ደርፊ ደሪፈ እቲ ህዝብና ነታ ስደቱ ንንኡሽተይ ግዘ እኳ ክርስዓ እንተገይረ ዓብዪ ነገር እዩ ኢለ ይኣምን” ይብል። ካብቶም ዘካይዶም ምርኢታት ሙዚቃ ብተወሳኺ ፡ ኣብቶም ተፈናቐልቲ ዝርእዮም ጸገማት፡ ክዳኑ ከይተረፈ ክልግስ ከምዝግድድዎ እዩ ዝገለጽ እዚ መንእሰይ ስነጥበባዊ። “ሒዘዮ ዝመጻኹ ገንዘብን ክዳነይን ከይተረፈ እየ ኣውጺአ ዝህቦም። ምኽንያቱ ነዐኦም ክትርኢ እንከለኻ ዝሓዝካዮ ኵሉ የጽለአካ። ኣብ ሑመራ ሰብ ሃፍቲ ዝነበሩ ሐዚ ተጸጊሞም እንትትርእይ፤ ሆቴል፡ ዶዘርን መኪናን ዝነበረን ኣዶ ሐዚ ስዋ እናሸጣ እንትትርእየን ይኸብደካ። ኣብ ዝባነይ ዝነበረት ክዳን ጥራይ ተኸዲነ ዝተመለስኩሉ መዓልቲ ይዝክር እየ፡” ብምባል ሕሰም ናብራ እቶም ካብ ኲናት ሃዲሞም ኣብ ስደት ዝርከቡ ወገናቱ የዘንቱ። ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን ንዝነብሩ ተፈናቐልቲ ኣብ ምሕጋዝ ዝርከብ ትካል ግብረሰናይ፡ ኣስመላሽ ግራንት ፋውዴሽን (ኤጂኤፍ)፡ ንስነጥበባዊ መርከብ ቦኒታ ኣምባሳደሩ ገይሩ ከም ዝመረጾ ኣብ ፈይስቡክ ገጹ ብዕሊ ኣፍሊጡ ነይሩ። በዚ መሰረት እቲ ስነጥበባዊ፡ ነቲ ገባርሰናይ ትካል ኣብ ምፍላጥ ይሰርሕ ከምዘሎ ይዛረብ። “ከም ኣምባሳደር ነቲ ትካል ሰብ ክፈልጦ ይገብር።  ሓደስቲ ኣጋይሽ እንትመጹ የርእዮም፤ መድሃኒት ድዩ ወይ ኣምቡላንስ ድዩ ዘድሊ ግንዛብ ንምፍጣር ይሰርሕ። ኣብ ዝኸድክዎም ዓድታት ድማ ሰብ ንኽሕግዝ ይሰርሕ።” ኤጂኤፍ ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ምስ ተሓባበርቲ ኣካላት ብምዃን ብኣስታት 100 ሽሕ ዶላር ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ብናጻ ዝሕከምሉ ክሊኒክ ከምዝኸፈተ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣፍሊጡ ነይሩ። ኣብዚ እዋን ነቲ ክሊኒክ ዘድሊ ኣምቡላንስ ንምግዛእ ምንቅስቓስ ይገብሩ ከምዘለዉ ኣርቲስት መርከብ ቦኒታ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡ ስነጥበባዊ መርከብ ባርያጋብር (ቦኒታ) ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተሸለሞም ናይ ኢድን ክሳድን ኣዋርቕ፡ ኣብ ሱዳን ንዝርከባ ኣደታት ከበርክት እንከሎ ዘርእይ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዙሓት ሰባት ከሰጋግርዎን ኣድናቘቶም ክገልጹሉን ተራእዩ ነይሩ። ኣብቲ ቪድዮ፡ ኣብ ክሳዱን ኢዱን ዝነበሩ መጋየጺታት በብሓደ ብምውጻእ፡ ኣብ ክሳዱ መስቀል ዝኣሰረላ ፈትሊ ጥራይ ተሪፋ ትረኣይ። ኣብቲ ናይ ምርኽካብ ስነስርዓት ዝተረኸባ ኣደታት፡ ገሊአን ክበኽያን ነቲ ስነጥበባዊ ከመስግናን ክምርቓን እውን ተራእየን ነይረን። እቲ ወርቂ ኣብ ምርኢት ሙዚቃ ከምዝተሸለሞ ዝገልጽ መርከብ፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝርከባ ምዃነንን ከምኡ'ውን ኣደታት ትግራይ ንወርቂ ዝህባኦ ክብርን፡ ሽልማቱ ክህበን ከምዘበገሶ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። “እቲ ወርቂ ኣብ ቤሩት ኣብ ዝነበረኒ ናይ ሙዚቃ ስራሕ፡ ‘በቲ እትገብሮ ነገር ሕጉሳት ስለዝኾንና፡ ክትቅጽለሉን ሞራል ክኾነካን’ ብምባል ኣብ ቤሩት ዝነብራ ኣዴታት ዝሃባኒ እዩ። ተጋሩ ጥራሕ ግን ኣይኮናን፤ ሓንቲ ኢትዮጵያዊት እውን ትግራይ ዝብል ወርቂ ሸሊማትኒ። እቲ ዘርኣዩኒ ሓልትዮን ፍቕርን ዝገርም ነይሩ።\" “ኣብ ሱዳን ናብ መዓስከራት ምግቢ እናሰርሓ ዝልእካ ኣዴታት ኣለዋ። ገሊአን ኣብቲ ሃሩር ጸሓይ ሻሂ እናሸጣ እየን ዝናበራ። 'ሓደ መዓልቲ ሰብ እንተሓገዘናስ ኣብ ሚድያ ኣፋልጠና ኢኻ' ኢለናኒ ነይረን። እተን ኣደታት ኣብ ቤሩት እንትሽልማኒ ድማ እዘን ኣብ ካርቱም ዘለዋ ኣደታት ትዝ ስለዝበላኒ ነዐአን ሂበየን።  ኣደታትና ድማ ንወርቂ ፍሉይ ቦታ እየን ዝህበኦ። ነዚ እየ መጺአ ሂበየን፡” ይብል። ኣብቲ እዋን ግብረመልሲ 'ተን ኣደታት ካብ ዝተጸበዮ ንላዕሊ ምንባሩ እውን ይዛረብ። “ኣብ ከቢድ ግዜ በጺሕካልና፤ ኣብዚ መዓልቲታት ተጨኒቕና ኢና ኔርና ክብላኒ ከለዋ ኣዝየ ሓዚነ። ካብዚ ንላዕሊ እንተዝኾነለይ እሞ ምወሰኽኩወን ኢለ ተመንየ።\" መርከብ ክብደት እቲ ወርቂ ክንደይ ከምዝኾነ ከምዘይፈልጦ እዩ ዝገልጽ፡፡ ንዝሓለፉ 11 ዓመታት ኣብ ካርቱም ሱዳን ኣብ ንግዲ ተዋፊራ ዝጸንሐት ኣበባ ደስታ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ገዛኦም ገዲፎም ናብ ሱዳን ንዝተሰደዱ ተጋሩ ንምሕጋዝ ናይ ዝተመስረተት ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ተጋሩ ነበርቲ ሱዳን፡ ኣደ መንበር እያ፡፡ ኣባላት እታ ማሕበር ዋላ'ኳ ናይ ባዕለን ዝተፈላለየ ጸገማት እንተለወን፡ እቶም ተሰዲዶም ዝመጹ ካባና ዝገደዱ እዮም ብምባል፡ ገንዘብ እናዋጽኣን ካብ ዝተፈላለዩ ምድላዋት ገንዘብ እናተኣኻኸባን፡ ምግብን ዝተፈላለየ ሓገዛትን ናብቲ መዓስከር ከምዝልእካ ትገልጽ፡፡ ‘‘ዝተፈላለና ማሕበራት ኣለና፤ ነቲ ኣብ መከራን ጸገምን ዘሎ ህዝብና ክዳን፡ ዘይቲ፡ ሕሩጭ እናኣከብና፡ ካብዚ ናብቲ ኣብ መዓስከር ዘሎ ንልእኽ’’ እትብል ኣበባ፡ ምስ ኣርቲስት መርከብ ቦኒታ፡ ኣብ መድረኽ ምትእኽኻብ ሓገዝ ከም ዝተራኸቡ ትዝክር፡፡ ‘‘ኣነ ቅድሚ ናብ ቀጠር ምኻዱ ሓደ ሕቶ ኣቕሪበሉ ነይረ፤ ሓደ ፕሮግራም ብሽምና እንተ ተዳልወልና እሞ ሓደ ነገር እንተንሰርሕ እንታይ ይመስለካ ኢለዮ ነይረ፡፡ ሽዑ ኣይጠዓሞን፤ ግን ቃል ኣትዩለይ ከይዱ ነይሩ፡፡ ክሕግዘክን እየ፤ ንህዝበይ ዘይኮነ ንመን?’’ ኢሉኒ ትብል፡፡ ብመሰረት እቲ ነታ ማሕበር ንምሕጋዝ ዝኣተዎ ቃል ድማ፡ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ካብ ዝነበሮ ምርኢት ሙዚቃ ዝረኸቦ ሽልማት ወርቅን ብሩርን ነተን ኣደታት ክኸውን ለጊስዎ፡፡ ‘‘ሽዑ እንጀራ እናጋገርና ኔርና፤ ልክዕ ኣብታ ዝኣተወላ ምሸት ደዊሉለይ፡፡ እምበኣር ጽባሕ ነተን ኣብቲ ስራሕ ዝተሳተፋ ኣደታት ክጽወዐን እሞ ኣብ ቅድሚአን ክቕበለካ ኢለዮ፡፡ ብቓሉ መሰረት ሓጊዙና፡፡ ‘‘እቲ ወርቂ ጠቕላላ 45.4 ግራም እዩ፡፡ ክልተ ሰንሰለት፡ ሓንቲ ብራስሌት፡ ከምኡ ድማ ሓንቲ 22 ግራም ብሩር እየን፡፡ ‘እዚአን ነተን ኣብዚ ሓዊ እናተቓጸልክን ዝነበርክን ኣዴታተይን፡ ናዓኽን እዩ’ ኢሉ ሂቡና’’ ትብል፡፡ ጠቕላላ እቲ ህያብ ኣስታት 3 ሽሕ ናይ ኣመሪካ ዶላር ከምዘውጽእ እትገልጽ ኣበባ፡ እቲ መንእሰይ ስነ ጥበባዊ ዝገበረለን ሓገዝ  ‘‘ትግራይ ሰብ ኣለዋ’’ ክንብል ገይሩና ትብል፡፡ ‘‘ኣብኡ ክዛረብ እውን ኣይከኣልኩን፤ ቅድሚ ሕዚ ፕሮግራም ኣዳልዩልና ነይሩ እዩ፡፡ ናይ ሻሂ፡ ሓሙሽተ ሳንቲም እውን ኣይወሰደን፡፡ ሕዚ ድማ ላዕልን ታሕትን ኢሉ ዝረኸቦ መጺኡ ከወፊ ከሎ፡ ትግራይ ሰብ ኣለዋ ዝብል ሓቦን ሕራነን ተሰሚዑና፡፡ ‘‘ኣብ ሕድሕድ ገዛ ኬድካ ንመርከብ ዘይትምርቕ ኣዶ የላን፤ ኣብ መዓስከር ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብዚ ንዘለዋ ኣደታት'ውን እዩ ዝሕግዝ፡፡’’ ትብል ልግሲ እቲ ስነ ጥበባዊ ንምግላጽ ቃላት ከምዝሓጽራ እትዘረብ ኣደ መንበር ደቂ ኣንስት ሱዳን ኣበባ ደስታ፡፡ ቅድሚ ሕዚ ሓንቲ  ወርቀን ብዕጡቓት ከምዝተወሰደ ዝነገራኦ ኣብ መዓስከር ዝነብራ ኣደ እውን ኣብ ክሳዱ ዝነበረ ሰንሰለት ወርቂ ኣውጺኡ ከምዝሃበን ሓደ ዓርኩ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡ እተን ኣርቲስት መርከብ ባርያጋብር (ቦኒታ) ወርቅን ብሩርን ዝሸለመን ኣደታት ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ብወገነን፡ እቲ ህያብ ንውልቀን ዘይኮነስ ንዝተጸገሙ ወገናት ክውዕል ኣለዎ ብምባል ንመኸተ ሰለስተ ከምዘወፈየኦ እየን ዝሕብራ፡፡ ‘‘እንተዘይተዓንገልና እውን፡ ካብቲ ኣብ ጸሓይን ሃሩርን ዘሎ ህዝብና ንሕና ንሓይሸ’’ ትብል ኣበባ፡፡ እቶም ስደተኛታት ኣብቲ መዓስከር ዘሕልፍዎ ዘለዉ ጸገም ክገልጾ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ከምዝኾነ ዝዛረብ መርከብ፡ ቀልጢፎም ናብ መረበቶም ዝምለስሉ ኵነታት ክፍተር ከምዝጽሊ ይገልጽ፡፡ ‘‘እቲ ጸገም ሓደ ሰብን ትካልን ክፈትሖ እዩ ዝበሃለ ኣይኮነን፡፡’’ ኵነታት ኣየር እቲ ከባቢ እውን ካልእ ምድራዊ ፈተና እዩ፡፡ እንተኾነ ንህዝብን መንግስትን ሱዳን ዘለዎ ምስጋና ሰፊሕ ከምዝኾነ እዩ ዝሕብር፡፡ ‘‘ኣነ ናብ ሱዳን ክመጽእ እንተለኹ ኣብ ትግራይ ዘለኹ ይመስለኒ፡፡’’ ኣብ መወዳእታ ኣብቲ መዓስከር ኣብ ዘሕልፎም መዓልቲታት ዝሰመዕዎን ድቃስ ዝኸልእዎን ዛንታታት ከምዘለዉ እውን ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡ ‘‘ናይ ኵሉ ሰብ ታሪኽ ከቢድን ዘሰምብድን እዩ፡፡ ብፍላይ ነተን ዝተደፈራ ደቂ ኣንስትዮ እናኸደኩ ይረኽበን እየ፡፡ ብዙሕ ስቓይ እየን ርእየን፡፡ ክትሰምዖ እውን ይዝግንን፡፡ ሽዱሽተ ኮይኖም ዝደፈርዋ ኣላ፤ ናዓኣ ደፊሮም ንሰብኣያ ዝቐተሉላ ኣላ፡፡ ኣብ ገዛ ኣሲሮም ንብዙሕ ግዜ ዝደፈሩዋ ኣላ፡፡ ሓንቲ ነቲ ስቓይ ክትጻወሮ ስለዘይከኣለት ህይወታ ዘጥፈአት ኣላ፡፡ ኣብ ኮፍ ዝበልካዮ ሓደ ነገር ኢኻ ትሰምዕ፡፡’’","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv26ve509g9o"} {"headline":"ኦስካር 2022፡ ዊል ስሚዝ ኣብ መድረኽ ብጽፍዒት ንዝሃረሞ ክሪስ ሮክ ይቕሬታ ሓቲቱ","content":"ዊል ስሚዝ ኣብ መድረክ ሽልማት ኣካዳሚ ኦስካር ብጽፍዒት ንዝሃረሞ ክሪስ ሮክ \"ዘይቕቡልን ይቕረ ዘይብሃሎን\" ባህሪ ከምዘርአየ ብምግላጽ ይቕሬታ ሓቲቱ። ንሱ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ \"ክሪስ፡ ብወግዒ ይቕሬታ ክሓተካ ይደሊ፤ መስመር ጥሒሰን ተጋግየን'የ\" ኢሉ። ኣካዳሚ ፊልም ኦስካር ንተዋሳኢ ዊል ስሚዝ ብምኹናን እቲ ጉዳይ ከም ዝከታተሎ ምስ ኣፍለጠ'ዩ ዊል ስሚዝ ይቕሬታ ሓቲቱ። ኮሜዲያን ክሪስ ሮክ ብዛዕባ በዓልቲ ቤት ስሚዝ ጃዳ ፒንኬት ምስ ቀለደ ናብ መድረኽ ወጺኡ ንክሪስ ሮክ ብጽፍዒት ከም ዝሃረሞ ይዝከር። ሮክ፡ ብዝተላጸየ ርእሲ ጃዳ እዩ ክቕይዕ ፈቲኑ ነይሩ፤ ንሳ ኣልፒሲያ ዝተባህለ ጸጉሪ ርእሲ ዘርግፍ ሕማም ከም ዘለዋ ቅድሚ ዓመታት ተዛሪባ እያ። ዊል ስሚዝ፡ ኣቦ ጀጋኑ ቴኒስ ዝኾና ቬኑስን ሴሬና ዊልያምስን ኮይኑ ብዛተዋስአሉ ፊልም ኪንግ ሪቻርድ ናይ መጀመርታ ሽልማት ኦስካር ትማሊ ወሲዱ። ስሚዝ፡ ብኢንስተግራም ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ \"ብዝኾነ መልክዕ ዝፍጸም ጎንጺ ኣዕናውን መርዛምን'ዩ\" ኢሉ። ወሲኹ እቲ መግለጺ፡ \"ትማሊ ምሸት ኣብ ዝነበረ ሽልማት ዘርኣኹዎ ባህሪ ቕቡል ዘይኮነን ዘይምኽኑይን እዩ። ኣብ ልዕለይ ዝቕለዱ ኣካል እቲ ስራሕ'ዮም፤ ብኩነታት ጥዕና ጃጃ ምቕላዱ ግን ክጻወሮ ስለ ዘይኽኣልኩ ስምዒታዊ ኮይነ መልሲ ሂበሉ\" ይብል። ስሚዝ ብቐጥታ ንሮክ ብምጥቃስ \"ካብ መስመር\" ወጺአ ነይረ እየ ብምባል ይቕሬታ ሓቲቱ ኣሎ። ነቲ ኣካዳምን ንመላእ ስድራ ዊልያምስን'ውን ይቕሬታ ሓቲቱ። \"ብሰንኪ ባህርያተይ ንኹላትና ዘሐጉሰና ዝነበረ ምሸት ስለ ዘበላሸኹዎ ኣዝየ ይሓዝን\" ኢሉ። ስሚዝ ይቕሬታ ቅድሚ ምሕታቱ ብድሕሪ ኦስካር ዘሎ ትካል \"ተግባር ስሚዝ ይኹንኖ\" ክብል መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ። \"ኣብ ዙርያ እቲ ዘጋጠመ ክስተት መርመራ ጀሚርና ኣለና። እዚ መተሓዳደሪ ደንብና፣ መትከላት ስነ ምግባርናን ሕጊ ካሊፎርኒያን መሰረት ገይርና ተወሳኺ ስጉምቲ ንምውሳድ ክንምርምሮ ኢና\" ኢሉ። ክሪስ ሮክ፡ እቲ ጉዳይ ናብ ፖሊስ ከም ዘይወሰዶ ገሊጹ'ዩ። ስሚዝ ይቕሬታ ምሕታቱ ጥራይ ግን እቲ ጉዳይ ኣብቂዑ ማለት ኣይኮነን። ሮክ'ውን ብወግዒ መጺኡ ነዚ ጉዳይ ርኢይቶ ክህበሉ ኣለዎ። ክሳብ ሕጂ ግን ነቲ ክስተት ከም ዋዛ ርእዩ ክሓልፎ ዝደለየ ይመስል። ኣብ ድሕሪ መድረኽ ግን፡ ስሚዝ ንታሪኽ ፍሉጥ ተጓሳጣይ መሓመድ ዓሊ መሲሉ ዝተዋስአሉ ብምምልካት፡ \"ጉስጢት መሓመድ ዓሊ ዓሪፉዎ ዝኾነ በሰላ ከይሓለፎ ዝወጻአ ብሕታዊ ሰብ\" ብምባል ከም ዝተዋዘየ ተሓቢሩ። ጽባሕ ሮቡዕ ምምሕዳር ቦርድ ኣካዳሚ ኦስካር ኣብ ልዕሊ ስሚዝ ክውሰድ ብዛዕባ ዝኽእል ስጉምቲ ክዝቲ ምዃኑ ተሓቢሩ። ሮክ፡ እቲ ብ1997 ዝተሰርሐ ፊልም 'GI Jane' ብምልዓል ክዋዛ ከም ዝፈተነ ይፍለጥ። ኣብቲ ፊልም ዝሰርሐት ዴሚ ሙር ጸጉራ ላጽያ ቀንዲ ተዋሳኢት ኮይና ሰሪሓ። ጃዳ ፒንኬት ግን፡ ሮክ ክዋዘ እንከሎ ብሕርቃን ኣዒንታ ንየማነ ጸጋም ክተዝሮም እንከላ፡ መጀመርታ ይስሕቕን የጣቕዕን ዝነበረ ስሚዝ ሃንደበት ናብቲ መድረኽ ደይቡ። እቲ ኮሜዲያን በቲ ዝተፈጥረ ነገራት ዝተሰናበደ እንተመሰለ'ውን \"እዚ ኣብ ታሪኽ ቴሌቪዥን ዓብዪ ምሸት'ዩ\" ክብል ተዛሪቡ። ሮክ ድሕሪ እቲ መድረኽ \"ክሲ ንምምስራት ፍቓደኛ\" ኣይኮነን ክብል ፖሊስ ሎስ ኣንጅለስ ገሊጹ'ዩ። ክሳብ ሕጂ ግን ብዛዕብኡ ወግዓዊ ርኢይቶ ኣይሃበን። ሽልማት ኦስካር ዝወሰደ ስሚዝ ብወገኑ፡ ሪቻርድ ዊልያምስ \"ጠበቓ ቤሰተቡ\" ከም ዝኾነን ንሱ'ውን ኣብ ህይወቱ \"ንሰባት ክፈቱን ክሕሉን\" ጻውዒት ከም ዝተገብረሉ ተዛሪቡ። \"ጥበብ ካብ ህይወት'ያ ትቕዳሕ፤ ልክዕ ከምቲ ዝተዋሳእኹሉ 'ጽሉል' ኢሎም ዝጽውዑዎ ሪቻርድ ዊልያም ኣነ'ውን ጽሉል ኣቦ ክመስል ይኽእል'የ። ግን ክኣ ፍቕሪ ናይ ጽሉል ስራሕ ክትሰርሕ'ዩ ዝገብር\" ክብል ኣብ መደርኡ ገሊጹ። ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ቲፋኒ ሓድሽ ብወገና ዊል ስሚዝ ኣብ ክንዲ ሰበይቱ ደው ምባሉ ብምንኣድ ኣብ ምሉእ ሂወታ ካብ ዝራኣየቶ \"እቲ ኣዝዩ ደስ ዘብል እዩ\" ክትብል ገሊጻቶ። \"ከም ብዘይሓለዋ ዝነበርኩ ጓል-ኣንስተይቲ. . .ሰብኣይካ ከምኡ'ዩ ክገብር ዘለዎ፡ ሓቀይ? ክከላኸለልካ [ኣለዎ]\" ብምባል ድሕሪ'ቲ ጽንብል ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ ተዛሪባ። ከም ክሪስ ሮክ ተዋዛዪት (ኮመድያን) ዝኾነት ቲፋኒ፡ ኣብ 2017 ምስ ጄዳ ፒንከት ስሚዝ ኣብ ሓንቲ '\"ርልስ ትሪፕ\" 'ዘርእስታ ፊልም ከምዝዓየያ ይፍለጥ። ሓያሎ ፍሉጣት ተዋሳእትን ውልቀሰባትን ነቲ ስሚዝ ዝፈጸሞ ኣካላዊ ጎነጽ ክነቕፉ እንከለዉ፡ ምስ ኩነታት ብዓልቲ ቤቱ ዝደናገጹ ገለ ድማ ደገፎም ገሊጾምሉ ኣለዉ። ዛጊት ክሪስ ሮክ ብዛዕባ'ቲ ፍጻመ ዝሃቦ መግለጺ የለን። ኣቐዲሙ ግን ክሲ ክምስርት ከምዘይደለየ ፖሊስ ሎስ ኣንጀለስ ሓቢሩ ነይሩ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60910327"} {"headline":"ዳያኑ ኣብ ጉዳይ ጸለመ፡ ምስ ዴፕ ወጊኖም","content":"ዳያኑ ኣመሪካ፡ ኣምበር ሀርድ ንበዓል ቤታ ዝነበረ ጆኒ ዴፕ፡ ዘቤታዊ ዓመጽ በጺሑኒ’ዩ ኣብ ዝብል ጽሑፍ ሽም ኣጥፊኣ’ያ ክብሉ ፈሪዶም። እቶም ዳያኑ፡ ኣብ ልዕሊ ሀርድ ግህሰት ኣይፈጸምኩን ንዝብል ዴፕ፡ 15 ሚሊዮን ዶላር ካሕሳ ክወሃቦ ወሲኖም። ጓል 36 ዓመት ኣምበር ሀርድ ካብቶም ኣብ ልዕሊ ወዲ 58 ዓመት ዴፕ ዘቕረበቶም ሰለስተ ክስታት በቲ ሓደ ክትረትዕ እንከላ፡ በርድ ብጠበቓ ዴፕ ሽማ ብምጥፍኡ ካሕሳ ክልተ ሚሊዮን ዶላር ተወሲኑላ። እዞም ከዋኽብቲ ሆሊውድ ብ2017 ዝተፋትሑ ኰይኖም፡ ኣብ መስርሕ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝነበሩ ክትዓት ብዛዕባ ርክቦም ኣዝዮም ዝጋራጨው ሓበሬታታት’ዮም ክህቡ ጸኒሖም። ኣብ ቨርጂንያ ግዝኣት ፌየርፋክስ ዝተጋብአ ቤት ፍርዲ፡ ንልዕሊ ሽዱሽተ ሰሙናት ክትዕ ክልቲኦም ውልቀሰባትን ዝርዝር እቲ ኣዝዩ ዘፍርሕን መወዳእትኡ ዘይጸበቐን ሓዳር ሀርድ ክሰምዕ ቀንዩ። ብዙሓት ኣመሪካውያን ከኣ፡ ኣብ ክንዲ ኲናት ዬክረይን ወይ እቲ ኣብታ ሃገር ሓያል ክትዕ ዘልዓለ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ውሳነ ክህበሉ ትጽቢት ዝግበር ጉዳይ ምንጻል ጥንሲ፡ ናብዚ ናይ ሕጊ ድራማ ትኹረት ገይሮም ከም ዝቐነዩ ይግለጽ። መጋብኣያ ናይዞም ውልቀሰባት ብቴሌቪዥን ብቐጥታ ክመሓላለፍ እንከሎ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ቢሊዮናት ተኸታቲሎምዎ። ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልቲ ምይይጥ፡ ዳያኑ ትማሊ፡ ኣምበር ሀርድ ንሓዳራ ዝምልከት ዘቕረበቶም ጉዳያት “ሓሶት” ከምኡ’ውን “ተንኰል” ዝተመልኦም’ዮም ብምባል ፈሪዶም። ብተወሳኺ፡ ኣብ 2020 ጠበቕኣ ንማዕከን ዜና ዴይሊ ሜይል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ልዕሊኣ ግህሰት ከም ዝተፈጸመ ዝገልጹ ርእይቶታት ብምሃቡ ሽም ዴፕ ኣጥፊኣ’ያ ኢሎም። እዚ ሸውዓተ ዳያኑ ዝተሰየምሉ መጋብኣያ ውሳነ ከስምዕ እንከሎ፡ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቤት ፍርዲ “ጆኒ . . . ጆኒ . . . ጆኒ . . .” ዝብሉ ድምጽታት ደገፍ ይስምዑ ነይሮም። ወሃቢ ቃል ዴፕ፡ “ብምኽንያት ኣቐዲሙ መደብ ዝሓዘሉ ስራሕ” ዴፕ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ዝወሃበሉ መዓልቲ ክርከብ ከም ዘይክኣለ ገሊጹ። ዴፕ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “እቲ ፍርዲ ህይወተይ ዳግም መሊሱ ሂቡኒ። ብሓቂ ክብሪ ተሰሚዑኒ” ክብል እንከሎ ወሲኹ ብቋንቋ ላቲን “ሓቂ ፈጺማ ኣይትጠፍእን” ኢሉ። እቲ መግለጺ ወሲኹ “እቲ ሓቂ ንክወጽእ ዝገበርኩዎ ጻዕሪ ካልኦት፡ ንርእሶም ኣብ ከም ናተይ ዝበለ ኩነታት ዝረኸብዎ ደቂ ተባዕትዮ ወይ ደቂ ኣንስትዮን ብእኦም ተስፋ ዘይቘረጹ ደገፍቶምን ክሕግዝ’ዩ ኢለ ተስፋ ይገብር” ይብል። ዳኛ ቤት ፍርዲ ፈየርፋክስ ፔኒ ኣዝካራቴ፡ እቲ ንዲፕ ዝወሃብ ናይ መቕጻዕቲ ካሕሳ ናብ 350 ሽሕ ዶላር ክወርድ ገይራ፤ ብጠቕላላ 10.4 ሚሊዮን ዶላር ካሕሳ ተፈሪዱሉ ኣሎ። ሀርድ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ንዘቕረበቶም መርትዖታት ከም ዘይዘተቐበለ ብምግላጽ “ልበይ ተሰይሩ’ዩ” ክትብል ጠቒሳ። “በዚ ጉዳይ ሓዚነ’የ፤ ግን ከም ኣመሪካዊት ብናጻነትን ግልጽን ንክዛረብ መሰለይ ምስኣነይ’ዩ ዚያዳ ዘሕዝነኒ። እዚ ውሳነ ንኻልኦት ደቂ ኣንስትዮ ብዝህልዎ ትርጉም’ውን ዚያዳ ሓሪቐ። እዚ፡ እትዛረብ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ኣደባባይ ናብ እትሓንከሉን እትዋረደሉን ግዜ ዝመለሰ’ዩ” ኢላ። ወሃቢት ቃል ሀርድ፡ ይግባይ ክትብል መደብ ከም ዘለዋ ሓቢራ። ቅድሚ ክልተ ዓመት ጋዜጣ ዘ-ሰን ጆኒ ዴፕ “ንበዓልቲ ቤቱ ዝሃርም’ዩ” ክብል ጽሒፉ ነይሩ። ይኹን’ምበር፡ ጆኒ ነታ በዓልቲ ቤቱ ዝነበረት ሽመይ ኣናኢሳ ክብል ኣብ ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ከሲሱዋ። ዴፕ ብምጥፋእ ስም ድማ 50 ሚሊዮን ዶላር ካሕሳ ሓሲቱ ከሲሱዋ። አምበር፡ ዋላ’ውን “ዘቤታዊ ዓመጽ እትውክል ህብብቲ ጓል ኣንስተይቲ” ኣብ ዝብል መጽሓፋ ሽም ጆኒ ዴፕ እንተዘይጠቐሰት’ውን ዴፕ ግን እቲ ጽሑፍ ንስርሐይ ማሕለኻ ኰይኑ’ዩ ይብል። አምበር ሀርድ እቲ ክሲ ምስ በጽሓ ብግድኣ ካሕሳ 100 ሚሊዮን ዶላር ሓቲታ። ክልቲኦም፡ ‘ዘ ታም ዳየሪ’ ኣብ ዝብል ፊልም ክሰርሑ እንከለው’ዮም ተራኺቦም። ብ2011 ፍቕራዊ ርክብ ጀሚሮም ብ2015 ድማ ሓዳር መስሪቶም ነይሮም።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cpdzeddk4y5o"} {"headline":"ህቡብ ስነጥበባዊ ወዲ ትኹል፡ ብጽኑዕ ሓሚሙ ከምዘሎ ተገሊጹ","content":"ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ፍሉጣትን፡ ነቲ መንፈስ ሃገራዊ ቓልሲ ብስነጥበብ ደርፊ ንምዕዛዝ ዓቢይ ተራ ከም ዝተጻወተ ዝንገረሉ ተኽለ ክፍለማርያም ወዲ ትኹል፡ ኣብዚ እዋን ብጽኑዕ ሓሚሙ ኣብ ሚላኖ ዓዲ ጥልያን ኣብ ትሕቲ ሕክምና ከም ዘሎ፡ መጋድልቱን ናይ ስነጥበብ ብጻዩን ሃይለሚካኤል ሃይለስላሰ - ሊንጎ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ። ሃይለሚካኤል ሊንጐ ኣብ መግለጺኡ፡ ወዲ ትኹል ኣብዚ ዝሓለፈ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ሕክምና ሚላኖ ክሕከም ከም ዝጸንሕ ጠቒሱ፣ ሕማሙ ኣብ ፈለማ ደሓን ይመስል'ኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ግን ጽንዕ ስለዝበለ፡ ዕቱብን ዝሓሸን ሕክምናዊ ረዲኤት ናብ ዝድልየሉ ደረጃ ከም ዝበጽሐ ኣፍሊጡ። ብዛዕባ ሕማሙ እንከረድእ ሊንጐ፡ ፈለማ ምስ ምቝጻር መዓንጣ ዝተኣሳሰር ቅልል ዝበለ እዩ ዝመስል ነይሩ፤ ጸኒሑ ግን ምስ ካንሰር ዝተኣሳሰር ናብ ክሎን ዓቢይ መዓንጣ ገጹ ከም ዝማዕበለ፡ ምስኡ ተተሓሒዙ ምትንኻፍ ካልኦት ክፍሊ ኣካላቱን፣ ንሱ ዘስዕቦ ከቢድ ቃንዛን ከም ዘሎን ገሊጹ። በዚ መሰረት፡ ብጾቱን ቤተሰቡን ተሓባቢሮም፡ ነቲ ልዕሊ ዓቕሚ ኰይኑ ዘሎ ሕክምናዊ ወጻኢታት ንምሽፋን 'ጐ-ፋንድሚ' [ብመገዲ ኢንተርነት ሓገዝ ገንዘብ ዝዋጽኣሉ ኣገባብ] ከፊቶም ይንቀሳቐሱ ከም ዘለው ገሊጹ። ካብ ነሓሰ 1979 ኣትሒዙ ንወዲ ትኹል ከም ዝፈልጦ ዝዘከረ ሊንጐ፡ \"ወዲ ትኹል፡ ምቕሉል ህዱእን ዓቃልን ጥዑም ሰብ እዩ፡\" ድሕሪ ምባል፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሸሞንተ ኣዋርሕ ብዙሕ ገንዘብ ወጻኢታት ከም ዝገበረን፡ ንዅሉ ኵነታቱ ዝተገንዘቡ ብጾቱን ቤተሰቡን ድማ፡ \"ዝሓሸን ዝበለጸን ሕክምና ረኺቡ፡ ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ፡ ጥዕናኡ ናብ ንቡር ምእንቲ ክምለስ፡\" ባዕላቶም ነዚ ተበግሶ ጐ-ፋንድሚ ከም ዘወሃሃዱን ዘበገሱን ገሊጹ። በቲ ሊንጐ ዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፡ እቲ ሕሳብ መጠራቐሚ ገንዘብ፡ ብሓንቲ ካብ ቤተሰቡ ዝዀነት ራሄል በያን ዝተኸፍተ ኰይኑ፡ ኣወሃሃድቲ እዚ መስርሕ ምውጻእ ገንዘብ፡ ሃይለሚካኤል ሊንጐ፡ ፍጹም ወልደሚኪኤል -ወዲዛግር፡ ሙልጌታ በይን- ወዲ ዛግር፡ ፍስሃየ ጸጋይን፡ ካብ ቤተሰቡ ድማ ራሄልን ምሕረትን እየን ኢሉ። ተጋዳላይ ሃይለሚካኤል ኣብቲ ንቢቢሲ ዝሃቦ ቃል፡ ነቲ ንወዲ ትኹል ንምሕጋዝ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ምርኩስ ዝገበረ ሓደ ሓደ ቤላቤላዋትን ዘየድሊ ክብርን ግምትን ክወሃቦ ዘይግባእ ዘረባታትን ከም ዘሎ ጠቒሱ፡ እንተዀነ፡ \"እቲ መጋድልትናን ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ድሙቕን ተዘካርን ኣሰራት ዘንበረ፡ ሓያል ብጥበቡ ተጋዲሉ ዘጋደለ ወዲ ትኹል፡ ብርግጽ ሓሚሙ ከም ዘሎን፡ እቲ ንዕኡ ንምሕጋዝ ዝተኸፍተ ሕሳብ ድማ ቅኑዕን ሕጋውን እዩ፣ እቲ ብቕንዕና ክሕግዝ ዝደሊ ሰብ ድማ ናብኡ ጥራይ ከድህብ ይግባእ፡\" ክብል ኣስሚሩሉ። ሃይለሚካኤል ኣብ መወዳእታ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ 'ኣብ ጀጋኑኡን ታሪኹን ዘለዎ ክብሪ፡' ጠቒሱ፡ ሕጂ'ውን ነቲ ሓደ ካብ ኣርካናት ሰውራዊ ስነጥበብ ኤርትራ ዝዀነ ወዲ ትኹል፡ በብዓቕሙ ሞራላውን ገንዘባውን ደገፍ ክገብር ጸዊዑ። ተኽለ ክፍለማርያም ወዲ ትኹል መን እዩ? ተኽለ ክፍለማርያም ወዲ ትኹል፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ከባቢ ደቀምሓረ ኣብ እትርከብ ትኹል እትበሃል ዓዲ ተወሊዱ፣ ኣብ 1977 ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ውሩይ ስነ-ጥበባዊ እዩ። ካብ 1977 ክሳብ 1983 ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 1983 ናብ ማእከላይ ባህሊ ውድብ ተመዲቡ። ወዲ ትኹል፡ ኣብ እዋን ገድልን ድሕሪ ናጽነትን፡ ዳርጋ ኵሉ ምስ ሃገራዊ ቃልሲ ዝተሓሓዝ፣ ከም ይክኣሎ፡ ለሚን-ለሚነይ፡ ጎምበል፡ እምባ ደንደን፡ ሳሊና፡ ፈጨው፡ ባጽዕ-ስየን ካልኦትን ብዙሓት ኣብ ልቢ ሰማዒ ዝሓደራ፡ ብሓፈሻ ልዕሊ 150 ደርፍታት ዘፍረየ ስሙይ ስነጥበባዊ እዩ። ወዲ ትኹል፡ ብ 24 ግንቦት 2020 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ ንዕዙዝ ተራ ስነጥበብ ኣብ ምዕዋት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ገሊጹ ነይሩ። ወዲ ትኹል ኣብ መግለጺኡ፡ ባህልን ልምድን ሕብረተሰብ ኤርትራ መሰረት ብምግባር፡ ንዕላማ ቃልሲ ህዝባዊ ግንባር ብትሽዓተኡ ቋንቋታት ስነ ጥበባዊ መልከዕ ኣትሒዝና ናብ ህዝቢ ከነብጽሖ ክኢልና ኢና፡ ኢሉ ነይሩ። በዚ ሓይሊ ስነጥበባት ድማ ህዝቢ፡ ዕላማ እቲ ሰውራ ብግቡእ ክረኣዮ ከም ዝኸኣለ የረድእ። ወዲ ትኹል ካብ ዝስለፍ ክሳብ 1983 ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ከምዝነበረን፡ ኣብ 1983 ከኣ ናብ ባህሊ ተሳሒቡ ባህላዊ ምርኢታት ከካይድ ተመዲቡ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61390545"} {"headline":"ስሙይ ድምጻዊ ዳዊት ነጋ ዓሪፉ","content":"ስሙይ ድምጻዊ ዳዊት ነጋ ትማሊ ሰንበት 05 ሰነ 2014 [ግእዝ] ኣብ ሰዓታት ኣጋግዘ ከምዝዓረፈ መሓዙቱን መታዓብይቱን ንቢቢሲ ኣረጋጊፆም። ዳዊት ነጋ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ንዘጋጠሞ ሃንደበታዊ ሕማም ስዒቡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ ኣዲስ ህይወት ዝተበሃለ ሆስፒታል ኣትዩ ክትትል ሕክምና ክግበረሉ ከምዝፀንሐ ድማ እቶም ምንጪታት ሓቢሮም። እቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ከም ሰዓል ኣቢሉ ዝጀመሮ ሕማም እናኸበዶ ምስከደ ብዓርቢ ናብቲ ሆስፒታል ከም ዝተወስደን፡ ክሳብ ትማሊ ሰንበት ኣብ ስሩዕ ክፍሊ ክትትል ሕክምና እቲ ሆስፒታል ከም ዝጸንሀን ተፈሊጡ። ኣብቲ ሆስፒታል ሕክምናዊ ክትትል ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብፍላይ ትማሊ ሰንበት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ሕማሙ ስለዝፀንዖ ናብ ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን ከምዝኣተወን ምሸት ከባቢ ሰዓት 01፡00 [07፡00] ኣቢሉ ካብዛ ዓለም ብሞት ከምዝተፈለየን እቶም ኣብ ጐድኑ ኮይኖም ክከታተልዎ ዝፀንሑ መሓዙቱን መተዓብይቱን ንቢቢሲ ሓቢሮም። ዳዊት ነቲ ከም ሰዓል ኣቢሉ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ዝጀመሮ ሕማም፡ ኣብ ገዛኡ ብምዃን ንምክልኻል ግሉኮስ ይወስድ ከምዝነበረን ምምሕያሽ ከርእይ ብዘይምኽኣሉ ናብቲ ኣዲስ ህይወት ዝተበሃለ ሆስፒታል ከምዝኸደን ተገሊፁ’ሎ። ኣብቲ ሆስፒታል \"መጠን ሽኮሩ ከም ዝወሰኸ\" ክንገሮ እንከሎ፡ \"ሕማምካ ናብ ኒሞኒያ ተሰጋጊሩሎ\" ዝብል'ውን ብሰብ ሞያ ጥዕና ከም ዝተነገሮ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ትማሊ ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈለየ ፍሉጥ መንእሰይ ድምፃዊ ዳዊት ኣብ ኣስከሬኑ ተወሳኺ ምርመራ ክካየድ ምዃኑ'ውን ተገሊፁ። ዳዊት ኣብ 2 ሚያዝያ 1980 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ከተማ መቐለ ተወሊዱ። ኣብታ ከተማ ዝዓበየን ዝተምሃረን ድምፃዊ ዳዊት፡ ገና ወዲ ዓሰርተ ዓመት እንከሎ ወለዱ ብሞት ከምዝተፈልይዎ ኣብ ሓደ ፕሮግራም ቴለቪዥን ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ ተዛሪቡ ነይሩ። ገና ኣብ ዕድመ ቍልዕነቱ ወለዱ ብምስኣኑ ህይወትን ናብራን ስለዝኸበዶ ካብ ሽጋራን ማስቲካን ክሳብ ዝተፈላለዩ ሸቐጣት ተሰኪሙ ኣብ ጐደናታት መቐለ እናዞረ መዓልታዊ ቐለቡ ንምርካብ ክፅዕር ተገደደ። ኣብ 15 ዓመት ዕድሚኡ ይኸውን ድማ ነቲ ንሙዚቃ ዝነበሮ ፍቕሪን ሕልምን ናብ ተግባር ንምቕያር፡ ናብቲ ምርኢታት ሰርከስ፡ ሙዚቃን ተዋስኦን ዝነጥፍ ዝነበረ ጕጅለ ሰርከስ ትግራይ ከም ድምጻዊ ክጽምበር ሕቶ ኣቕረበ። እዚ ሕቶኡ ብእዋኑ እወታዊ መልሲ ክረክብ'ኳ እንተዘይከኣለ፡ ሽዑ \"ማርሽ ባንድ\" ብዝብል ናብ ዝፍለጥ ክፍሊ ክፅምበርን ድራም (ከበሮ) ክሕዝን ዕድል ረኸበ። ኣብ ውሽጡ ግን ድምፃዊ ናይ ምዃን ባህግን ሕልምና ስለዝነበሮ ደርፊ ምፍታን ኣየቋረፀን። \"ዓወት ኵልግዜ ኣብ ቀረባና እያ ዘላ\" ክብል ኣብ ሓደ ቃለ-መሕትት ዝተዛረበ ዳዊት፡ እንተጽዒርካን ተስፋ እንተዘይቈሪፅካን ኣብ ዝሓሰብካዮ ደረጃ ምብፃሕ ከቢድ ከምዘይኮነ ምዒዱ ነይሩ። ወለዲ ካብ ምስኣን ዝጀመረ ብድሆ ህይወት፡ መዓልታዊ ድራርን ብኽራይ ንዝነብረሉ ገዛ መኽፈልን ክሳብ ምስኣን ዝበጽሓሎም እዋናት ኣሕሊፉ እዩ። ዳዊት ነቲ ከቢድ ጉዕዞ ፈተና ብጽንዓትን ብፃዕርን እናሰዓረ ብምምፃእ ናብቲ ዝደልዮ ሞያ ድምጻዊ ክቕልቀል ከሎ፡ ብፍሉይነት ድምፁን ቃናኡን ብቐሊሉ ንብዙሓት ክስሕብ ክኢሉ እዩ። በቲ ሓፊስ ድምፁ ክሰርሖም ዝጀመረ ደርፍታት ብቐሊሉ ናብ እዝኒ ሰማዕቲ ክበፅሑን ተቐባልነት ክረኽበሎምን ኣይተጸገመን። \"ዳኣመና\"፡ \"ባባ ኢለን\"፡ \"ሕድያት መቐለ\"፡ \"ወዛመይ\"፡ \"ዘዊደሮ\"፡ \"ብነፀላይ\"፡ \"ቅዱስ ፀባያ\"፡ \"ቸቸኮላታ\" ዝብሉ ደርፍታቱ ካብቶም ኣብ እዝኒ ኣድነቕቱ በፂሖም ዝለዓለ ተቐባልነትን ናእዳን ዝረኸቡ ስራሓውቱ እዮም። ንጽል ደርፍታት ጥራሕ ብምፍናው ዝፍለጥ ዳዊት ምሉእ ኣልበም ዝሰርሓሉ ዓቕሚን ተቐባልነትን እናሃለዎ፡ \"ንምንታይ ዘይሰርሐ?\" ዝብል ሕቶ ካብ ብዙሓት ብተደጋጋሚ ክቐርብ ይስማዕ። ናቱ ሓፂር መልሲ ድማ \"ይሓስብን የዳልውን ኣለኹ\" ዝብል ነይሩ። ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣቢሉ ድማ \"ኣክሱማዊት\" ዘርእስታ ኣልበም ናብ ኣድነቕቱ ከብፅሕ ኪኢሉ። ንመወዳእታ ግዜ ዝሰርሓ ስራሕ \"ኣጆኺ ትግራይ\" ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ኰይና ናፍቈት ስድራ ዝገለፀላ ነይራ። ዳዊት ብ2017 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብቲ ንሓደሽትን ብሉፃትን ደረፍቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ሓደ መድረኽ ክራኸቡን ስራሕቶም ብውህደት ከቕርቡን ዕድል ዝህብ መድረኽ ሙዚቃ 'ኮክ ስቱዲዮ' [Coke Studio] ስርሑ ኣቕሪቡ ምንባሩ ይዝከር። ድምፃዊ ዳዊት ነጋ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓደ ቘልዓን ነይሩ። ስርዓተ ቀብሩ ፅባሕ ሶሉስ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መንበረ ፀባኦት ቅድስት ስላሴ ካቴድራል ቤተክርስትያን ክፍጸም ምዃኑ ነቲ ቀብሪ ዘተሓባብሩ ዘለዉ ኣካላት ንቢቢሲ ሓቢሮም።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cpwnv1ypeneo"} {"headline":"ቃንዛ ወሎዶታት' ብስእልታት ቡን ትስንድ ዘላ- ስነ-ጥበባዊት ገሊላ ረዳ","content":"ኣብ ልዕሊ መሬት ዘለዉ ኩሎም ነገራት ናብ ጥበብ ክቕየሩ ይኽእሉ'ዮም ዝብል ኣተሓሳስባ ዘለዋ ሰኣሊት ገሊላ ረዳ፤ ብዙሓት፡ በቶም ቀልቢ ዝገዝኡ ብቀለም፣ ብቡንን ጨውን ትስእሎም ስእልታታ'ዮም ዝፈልጥዋ። ንጥበብ \"ኣብ ናትካ ኣእምሮ ዝነበረ ጥራሕ ኣውፂእኻ ሂወት ትዘርአሉ ውህበቶ ኣምላኽ ንስእሊ ድማ ኣብ ውሽጥካ ዝስመዐካ ሓዘንካን ሓጎስካን ትገልፀሉ ፈውሲ (therapy)'' ብምባል'ያ ትገልፆ። ኣብ እንዳ ኣቦይ ረዳ፡ ጥበብ ኣብ ገሊላ ጥራሕ ኣይኮነትን ሓዲራ፡ ሕዚ ብህይወት ዘየለ ምዕባይ ሓዋ ንገሊላ'ውን፡ ንፉዕ ሰኣላይ እዩ ነይሩ። ሓዋ ክስእል እትዕዘብ ዝነበረት ህፃን ገሊላ'ውን፡ ጦብላሕታ ጥበብ ስእሊ ኣብ ናይ ቁልዕነት ኣእምሮኣ ሓዲሩ። ገሊላ ገና ቆልዓ ሽድሽተ ዓመት እንከላ እያ፡ ዘይተርነዓ ኣእዳዋ ብራሽ ጥበብ ጨቢጠን። ምዕባይ ሓዋ ዝሰኣሎም ስእልታት ኣብ መንደቕ፣ኣብ እምንን ደፍተርን ንድፊ ስእልታት ደጊማ ብምስኣል'ያ መገዲ ጥበብ ኣሃዱ ኢላ ዝጀመረት። ወላዲታ እትሰፍዮም መጋየፅታት ስፈን ጥልፍታትን'ውን፡ ኣብ መገዲ ጥበብ ገሊላ ዓብይ ፅልዋ ኣሕዲሮም'ዮም። ኣብ ግዘ ቁልዕነታ ንዕግበታ ኢላ ትስእሎም ዝነበረትን ንቀልባ ዝገዝአን ጥበብ ገዊዱ ምስ ዓበየት ድማ ፡ ቅብኣ ናይ ሙሉእ ግዘ ዓውዲ ስራሕ እያ ገይራቶ። ኣእምሮኣ ዝጠነሶም ጥበባዊ ሓሳባት ናብ ቅብኣ ንምቕያር፡ 'ኣክረሊክ' ቀለም፣ ቡንን ጨውን ብምጥቃም 'ፊገራቲቭ ኣብስትራክት' ዝበሃሉ ቅድታት ቅብኣ ትስእል። ገሊላ ኣብ ሃገረ ኖርወይ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ከይዳ ዘፅንዓቶ ትምህርቲ ኢንፎርሜሽን ቴክሎጂ'ኳ እንተኾነ፡ ናይ ሙሉእ ሰዓት ስርሓ ግና እቲ ንርእሳ ባዕላ ብምምሃር ዝመለኸቶ ስእሊ'ዩ። \"ብዙሕ ግዘ ዝተሰምዐኒ፣ ዝርእዮ፣ ዘለዓዕለኒ'የ ዝስእል\" ትብል ገሊላ፡ ዝበዝሕ ግዘ ፅባቐን ጥንካረን ደቂኣንስትዮ ኣብ ስእልታታ ተወኪሎም ይረኣዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሃገረ ስዊድን እትነብር ሰኣሊት ገሊላ ረዳ፡ ብፍላይ ካብ 2011 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ንነዘ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም ብምዛር ናይ ብሕታ ምርኢት ቅብኣ ( solo exhibition ) ብምድላው፡ ስራሕታ ንኣፍቀርቲ ጥበብ ኣላልያ። ሃገራት ኖርወይ፣ ስዊድን፣ ኣሜሪካ ዋሽንግተን ዲሲ፣ ቤልጂየምን ድማ፡ ካብ ሞንጎ ኣብ ቅድሚ ተዓደምቲ፡ ብቀለምን ብቡንን ዝቐብኣቶም ስእልታታ ብቐጥታ ዘቕረበትለን ሃገራት እየን። \"ብስራሕተይ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዙሓት ኣድነቕቲ ረኺበ'የ። ካብዚ ዝዓቢ ሽልማት የለን\" ትብል። ገሊላ ኣብ ዓለም ለኸ መዓልቲ ቡን፡ ምስቲ ዝዓበየ ትካል 'ኖሽክ ካፈላይክ' ብምዃን ብቡን እትስእሎም ስራሕታ ዘቕረበት እንትትኾን ነቲ ኣጋጣሚ \"ንዓይ ዓብይ ዕድልን ልምድን ዝፈጠረለይ'ዩ። ብድሕሪኡ ምስ ብዙሓት ክሰርሕ ዕድል ዝኸፈተለይ'ዩ\" ብምባል እያ ትገልፆ። ሰኣሊት ገሊላ ረዳ ንንጉሰ ነገስት ዘ ኢትዮጵያ ሃፀይ ዮውሃንስ ራብዓይን ንጀነራል ኣሉላ ኣባነጋን፡ ካብ ሃገራት ወፃኢ ድማ ንፍሉጥ ኣሜሪካዊ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ማልኮም ኤክስ ልዑል ክብሪ ኣለዋ። \"ንጉሰ ነገስት ሃፀይ ዮውሃንስን ጀነራል ኣሉላ ኣበነጋን ናይ ፀለምቲ ህዝብታት ጀጋኑ'ዮም። ማልኮም ኤክስ ድማ ንቅዋሙ ክንደየናይ ጅግናን ተባዕን፥ ንመሰሉ ዝማጎት ተቓላሳይ ነፃነት'ዩ፤ ንክሰርሕ የለዓዕለኒ።ከም ሓንቲ ስነ ጥበባዊት ድማ ነዚ ናይ ሕዚ ወለዶ ታሪኽ ንከመሐላልፍን ንክዕቅብን ሓላፍነት ስለዘለኒ እየ ድማ ስኢለዮም\" ትብል። ስራሕታ ሓደ ካብ ሓደ ንምውድዳር ከቢድ እኳ እንተኾነ፡ ብቡን እትስሎም ስእልታታ ግና ዝያዳ ብብዙሓት ተፈተውቲ ከምዝኾኑ እያ ትዛረብ። \"ስለዘይተለመደን ፍሉይን ስለዝኾነን፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ሰብ ንቡን ዘለዎ ፍቕሪ እመስለኒ፡ ብዙሕ ሰብ ናይ ቡን ስእለይ ብጣዕሚ እዩ ዝፈትዎም\"። ብቀለም ካብ ዝሰኣለቶም ስእልታት ድማ ኣብ ግዘ ወራር ኣምበጣ፡ ኣብ ደቡብ ትግራይ ራያ፡ ህፃን ቆልዓ ሓዚላ ኣንበጣ ክተባርር ዝሰኣለቶ ስእላ ብብዙሓት ተፈታውነት ዝረኸበ ነይሩ። ካብ ሃገራት ወፃኢ ኣብ 2021 ዝሰኣለቶ ቅብኣ ማልኮም ኤክስ ድማ ብብዙሓት ዝተፈትወን ካብ ስድርኡ ምስጋና ዝረኸበትሉን ውላድ ጥበባ'ዩ። \"ጓሉ ንማልኮም ኤክስ፡ ኢልያሳህሻባዝ፡ ንወላዲኣ ስለዝሰኣልክዎ ናእድኣ ገሊፃትለይን ኣመስጊናትንን'ያ\" ትብል። ኣሜሪካዊ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ማልኮም ኤክስ፡ ብፍላይ ንመሰል ፀለምቲ ተጣባቒ ብምዃኑ ይፍለጥ ነይሩ። ኵናት ትግራይ ካብ ዝውላዕ ንነዘ፡ ኣብ ትግራይ ካብ ዘጋጠመ ሞት፣ ስደትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ብተወሳኺ፡ ብዙሓት ሕልሚ ኣብ ዝመስል ቃንዛ ይነብሩ ከምዘለዉ ትገልፅ ሰኣሊት ገሊላ፡ ነዚ ከቢድ ኩነታት 'ቃንዛ ወሎዶታት' (generational trauma) ኢላ ብምስያም፡ ቃንዝኣን ቃንዛ ብዙሓትን ብጥበብ ገሊፃቶ'ያ። \"መብዛሕትኦም ስእልታተይ ስምዒታተይ እዮም ዝገልፁ። ኣብዚ ዓመት እዚ ካብ ዝሰራሕክዎም ስእልታት፡ 'generational trauma'፡ እቲ ሰብ ናይ ባዕሉ ታሪኽ ስለዝኾነ ብዙሕ ሰብ ዝፈተዎ ስእሊ'ዩ\" ትብል። ገሊላ ናብ ኣእምሮ ሰኣልቲ ብልጭ ዝብሉ ሓሳባት፡ ግዘ ዝህቡ ከምዘይኮኑን ነዞም ኣብ ፃት ኣእምሮ ዝመፅኡ ሓሳባት ብቕልጡፍ ናብ ንድፊ (sketch) ንምልዋጥ፡ ፅምዋ ዘለዎ ቦታ ከምዝጠልብን እያ ትገልፅ። \"ኣብ ዘይትፅበዮ ቦታ ኮይንካ'ውን ናብ ኣእሙሮኻ ሓሳብ ክመፀልካ ይኽእል'ዩ። ነዚ ሓሳብ ናብ ስእሊ ንምቕያር ናይ በዓልኺ ፀጥ ዝበለ ቦታ የድልይ፣ ሰብ ክርብሸኪ ወይ ድማ ዝኾነ ነገር ከተዓናቕፈኪ ኣይትደልይን። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ኣብ ዝኾነሉ፡ እቲ ዝመፀለይ ሓሳብ ፀኒሑ ክጠፍእ ስለዝኽእል ይነድፎ\" ትብል። ሰኣሊት ገሊላ፡ ሓደ ስእሊ ስኢልካ ንምውዳእ ብግዘ ምድራት ከምዘይከኣልን ዓመታት ወይ ድማ ሰዓታት ክወስድ ከምዝኽእል ትገልፅ። \"ሓደ ሓደ ግዘ ዝኾነ ሓሳባዊ ስእሊ ዓመታት ክወስደልካ ይኽእል'ዩ፤ ብሓደ ግዘ ዘይውዳእ ስእሊ ኣሎ። ሓደ ሓዲኡ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ክውዳእ ይኽእል'ዩ። ብቡን ዝሰርሖም ስእልታት ግን ኣብ ሰዓታት'የ ዝውድኦም\" ትብል። ቅብኣታት ንጉሰ ነገስት ዘ ኢትዮጵያ ሃፀይ ዮውሃንስ ራብዓይ፣ ኣሉላ ኣባነጋ፣ ማልኮም ኤክስ፣ ቃንዛ ወለዶታትን ዊል ስሚዝ ኣብ መድረኽ ሽልማት ኦስካር ንተዋዛይ ክሪስ ሮክ እንትፀፍዖ ዘርእይ ስእልን፡ ካብቶም ብቡዝሓት ኣፍቀርቲ ጥበብ ናእዳ ዝረኸቡ ስእልታት ገሊላ ረዳ እዮም። ገሊላ ክሳብ ሕዚ ካብ ዝሰኣለቶም ቅብኣታት፡ ንመቐለ ሃምሊን ፌስቱላ ማእኸል ብመልክዕ ሓገዝ ኣጫሪታ ምስ ገንዘብ ዘበርከተቶ ስእሊ ፍሉይ ስምዒት ይፈጥረላ። ኣቦይ ረዳ ካብ ዝወለድዎም ሸሞንተ ደቆም፡ ኩሎም ምስኣል ዝስእሉ እኳ እንተኾኑ፡ ገሊላን ምዕባይ ሓዋን'ዮም ንቕብኣ ናይ ምሉእ ግዘ ሞይኦም ገይረሞ። ገሊላ ዋላ'ኳ ካብ ቁልዕነታ ጀሚራ ምስ ብራሽ ዘይትፈላለይ እንተነበረት፡ ንወላዲታ ብዘለዋ ፍቕሪ ግና፡ እናሓገዘተን ስእሊ ትስእል ከምዝነበረት'ያ፡ ግዘ ቁልዕነታ ትዝክሮ። \"ገዛና ንብዙሕ ዓመታት እንዳ ምግቢ ነይሩና። ቆልዓ 12 ዓመት ኮይነ ንኣደይ ብጣዕሚ ስለዝፈትዋ፡ ንዓማዊል ምግቢ ይሰርሕን እንጀራ ይስንክትን ነይረ። እዚ እናሰራሕኩ ብጎኒ ኸኣ ይስእል ነይረ\" ብምባል ንወላዲታ እትሕግዝ ምእዝዝቲ ቆልዓ ከምዝነበረት ትዝክር። ሕዚ ገሊላ ኣደ ሓንቲ ቆልዓን በዓልቲ ሓዳርን'ያ። ምስ ወለድኩ እየ ንኣደይ ብጣዕሚ ከምዘኽብራ ዝተረደአኒ ትብል ገሊላ፡ \"ኣደነት እቲ ኣብ ዓለም ክኽበር ዝግበኦን መወዳድርቲ ዘይብሉን'ዩ። ኣደ ምስ ኮንካ ዝነበረ ኣተሓሳስባኻ ኩሉ'ዩ ዝቕየር፤ ኣብ ዓለም ዘሎ ኩሉ'ዩ ዘገድሰካ\" ትብል። ስእልን ኣደነትን ብኸመይ ከምተዋድዶ ክትገልፅ እንከላ ድማ፡ \"ኣደ ኮይንካ ሓላፍነት ስለዝስመዓካ፡ ክስእል ከለኹ፡ ጓለይ ትድቅሰሉ፣ ትምግበሉን ትፃወተሉን ሰዓት ስለዘሎ፡ ትኹረት ገይርካ ክትስእል የፀግም'ዩ። እንተኾነ፡ ጓለይ ክትህርስ ከላ እናጠዓዓምኩ እየ ዝስእል። በዓል ገዛይ ድማ ብጣዕሚ ስለዝሕግዘኒ፡ ንክስእል ብዙሕ ኣየፀገመንንን\" ትብል። መብዛሕትኡ ግዘ ኣደታት ኣብ ግዘ ጥንሲ፡ ብዙሕ ነገር ደስ ክብለን ወይ ድማ እቲ ቅድሚ ሕዚ ብጣዕሚ ዝፈትውኦ ዝነበራ ነገር ኣፅሊኡኒ ክብላ ይስምዓ። ገሊላ ነብሰ ፆር ኣብ ዝነበርክሉ ግዘ እቲ ብጣዕሚ ትፈትውዮ ጥበብ ስእሊ ኣፅሊኡኪ'ዶ ነይሩ ይኸውን? ዝብል ሕቶ ኣቕሪብናላ። እዚ ግዘ ንዓኣ ፈታኒ ግዘ'ዩ ነይሩ። ሰኣሊት ገሊላ፡ \"ሰብሞያ ሕክምና እቲ ኣብ ስእሊ ዝጥቀሞ ቀለም ዘሎ ኬሚካል ነታ ቆልዓ ይፀልዋ'ዩ ስለዝበሉኒ፡ ንከይስእል ብጣዕሚ ፈሪሐ ነይረ። ስለዘየኽኣለኒ፡ ንዝተወሰኒ ግዘ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ገይረ ስኢለ። ግና ብጣዕሚ ከቢድ'ዩ፡ ንዕኣ ከይጎድኣ እናበልኩ ደፊረ ክሰርሕ ኣይከኣልኩን። ምስኣል ለሚደ ከመይ ገይረ ከቋርፅ? ምስኣል ንዓይ ወልፊ'ዩ፤ ዓመት ሙሉእ ምስኣል ናፊቐ ነይረ\" ብምባል፡ ፈውሲ ርውየታ ብቡን ጥራሕ ንምስኣል ትፍትን ከምዝነበረት ትገልፅ። ምስ ወለደት'ውን እንተኾነ፡ ናብቲ ኣብ ግዘ ጥንሳ ኣዝያ ዝናፈቐቶ ስእሊ ኣይተመለሰትን። ንውላዳ ትኹረት ክትገብርን ክትሕብሕብን፡ ናብቲ ስሩዕ ናይ ስእሊ መደባታ ንምምላስ ግዘ ከምዝወሰደላ ትዛረብ። ኣብ ዓዲ ብዘሎ ኩነታት ኣነባብራ ብዙሓት ሰባት ኣብ ሂወቶም ንጥበብ ቀዳምነት ኣይህብዎን እትብል ገሊላ፡ ኣብዚ እዋን ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ብዙሓት ሂወቶም ብቃንዛ የሕልፍዎ ስለዘለዉ፡ ብጥበብ ዝፍወስሉ ማእኸል ክትኸፍት ትሓስብ። \"በቲ ዘሎ ኩነታት ብብዙሕ ፀገማት ዝሓለፈ ሰብ ስለዘሎ ምስ ካልኦት ተሓባቢረ፡ ሰባት ካብ ቃንዛ ኣእሙርኦም ዝፍወስሉ፣ ቆልዑን መናእሰይን ዝዘናግዕሉ ደምበ ጥበብ (ኣርት ጋለሪ) ክከፍትን ንካልኦት ኣብዚ ዓውዲ ዘለዉ ሰብሞያ ዘድልዮም ናውቲ ክሕግዝን እብህግ\" ትብል።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/61071933"} {"headline":"ጸሃይቱ በራኺ፡ ካብ እንዳ ስዋ ናብ መድረኽ- 'ኣባሻውል ዝባን ጨርሒ፡ ተወሊዓ ወርሒ'","content":"ኣስመራ' ዘርእስታ ደርፋ ሓንቲ ካብ'ተን ዕድመ ምስ ኣርከባ ኣብ ዓዲ ስደት ኰይና ዝደረፈታ ደርፊ እያ። እታ ደርፊ ብጥምሮ-ጓሂ ክትግለጽ ይከኣል። ብትካዘ ተሰንያ ንኣስመራ ሰፍ ዘይብል ክሲ ተቕርበላ። \"ኣስመራ ወርቂ ሚለንየ፡ ወርቂ ሚለንየ ክዓዶ ኣምጺእኪ ኣመልየ፡ ኣምጺእኪ ኣመልየ ደቅኺ ፋሕፋሕ ኢሎም ንዒባ ኣክብዮምየ ሕጅስ ይኣክል በሊ ደቀይ'ባ በልዮም'የ\" ... እናበለት ክትደርፍ ንተራ ሰማዒ ኣብ ህቦቡላ ሓሳብ እተእቱ ንቦቕባቝ ኸኣ ሃጽ እትብል ደርፊ'ያ። ዋላ'ኳ ኣብቲ ዕድመ'ቲ ስሕለት ቀደማ ይጕደም፡ ካብ ቃና-ወጻኢ ሸተት ትበል፡ ጐሮርኣ'ውን ብመጠኑ ይጥለማ \"ኣደይ ጨኪና ንመንየ ዝነግሮ\" ክትብል ከብዲ ሰማዒ ትበልዕ ነበረት። \"ገንዘብ ሰብ ኣይጠመትኩን፡ ሕድሪ ሰብ ኣይጠለምኩን። ብዕድመ ደፊአ'የ ... ነታ ዘላትኒ ምስ ሰበይ ክማቐላ በቒዐ'የ። ሕጅስ ይኣክል ... ኣቦይዝጊ ብክብረተይ ይውሰደኒ። ኣብ ኤርትራ ቅበሩኒ፡ ንኣዕጽምተይ ዋላ ኣብ ባሕሪ ሃገረይ ይደርብይዎ፡ ሓመድ ሃገረይ ዘየልበስኩም ኣይብልን\" ክትብል ብቝስላ ትዛረብ ዝነበረት ትጥዕም። እዛ ብ1977 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈት፡ ብ1988 ናብ ሆላንድ ዝሰገረት፡ ኣብኡ ኸኣ ክሳብ መዓልቲ ስንብትኣ - ዕለት 24 ግንቦት 2018 - ዝነበረት ኣደ፡ ከምታ ድልየታ፡ ሬሳኣ ብኽብሪ ኣብ እንዳ ማርያም ኣስመራ ተቐብረ። እታ ናይ ቀደም ጸሃይቱ በራኺ ኣብ 60'ታት መብዝሕትኡ ትዕይንቲ ሙዚቃ ኤርትራ ብማሕበር ትያትር ኣስመራ (ማ.ት.ኣ.) ተዓብሊሉ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ መሸጓሹጓት ሃገር ግን ብውልቀ ሰባት ዝድረፍ ዝነበረ፡ ባህሊ ዝሓለወ፡ ምስ ሃገራውነት ዝተኣሳሰረ፡ ካብ ኣዒንቲ ሳንሱር ተኸዊሉ ኣብ ቤት-መስተታት ኰነ እንዳ-ስዋታት ብሓመድሓፋሽ ዓቢ ተቐባልነት ዝነበሮ ዓይነት ሙዚቃ-ዉሻጠ ዝውቱር ነበረ። ሓንቲ ካብ'ቶም ናይ ዉሻጠ-ሙዚቀኛታት፡ ኣብ እንዳ ስዋ ዀይና ነቲ ብሉጽ ጥበባን ቅዲ ሙዚቃኣን ዜማዕበለት፡ ብእኡ ኣቢላ ድማ ቀስ ኢላ ዝና ዜጥረየት ነፍሲሄር ጸሃይቱ በራኺ ነበረት። ድምጺ ጸሃይቱ በራኺ፡ ምናዳ ኣብ 70'ታት፡ ንጹር፣ ልዙብ፣ ጽሩይ፣ ዕምቈት ዝነበሮ ኰይኑ ንሰማዒ ኣብ ሓውሲ ዕዛመ ዘእቱ ዓይነት ነበረ፣ ምኽንያቱ ኸኣ ድምጻ ህዱእን በለላ ዘይብሉን ኰይኑ ካብ መዓሙቝ ሩሓ ዝመንጨወ ድምጺ ስለ ዝነበረ። ሕላያት ደርፋ ድማ ኣብ ሕሉፍ ታሪኻ ዝተመርኰሱ ናይ በይኖም መንፈስን ባንዴራን ነይሩዎም። በይና፡ እኳድኣ ብዘይ መሰነይታ ባንድ፡ ክራራ እናተጻወተት ከተዘናግዕ ከኣ ናታ ፍሉይ ቅዲ ጸወታ ነበረ። እቶም ንጸሃይቱ ኣብ ጥርዚ ዝናኣ ዝነበረትሉ እዋን ዝዝክሩዋ ሰባት ክገልጹዋ ምስምዖም ባዕሉ ትንግርቲ'ዩ። ሙዚቃዊ ኣቛማ ስነ-ብሂልተኛ ኰይኑ ዜማታታ ያታዊ ጣዕመ-ዜማ ዘሎዎም፡ ተደፋንቖ ዝፈጥሩ ሕጡበ-ግጥምታት ተጠቒማ ዘዚሙ ደርፍታት ዘቕረበት ስነ-ጥበባዊት ምንባራ ይገልጹዋ። ኣብ እንዳ ስዋኣ ዀይና \"ዝባን ጨርሒ ተወሊዓ ወርሒ\" እናበለት ንዓማውላ እተዘናግዓሉ ዝነበረት እዋን ንገሊኡን ኣብ ትካዘ ንገሊኡን ድማ ኣብ ምስትንታን እተእቱ ድምጻዊት'ያ ነይራ እናበሉ ይዝክሩዋ። እቲ እንዳ ሱዋ ምስ ዝዕምር፡ ጸሃይቱ ንዓማውላ 'ኣጣቕዑ' ኢላ ኣብ ጓይልኣ ትኣቱ ነበረት - ገሊኦም ኣጆኺ እንክብልዋ፡ እቶም ዝኸኣሉ ኸኣ ብድድ ኢሎም ብምዅዳድ ምስኣ እናተቐባበሉ ንጸገማቶም ብሳዕስዒትን ብሱዋን ከም ዝድበሱ ትገብር ዝነበረት ሰብ'ያ ኢሎም የዘንትዉላ። ካብ እንዳ ስዋ ናብ መድረኽ ጸሃይቱ ካብ እንዳ ስዋ ኣብ ዝዓበየ መድረኽ ክትሰጋገር ምስ ከኣለት ዓለማ ተኸፍተላ። ተወልደ ረዳ ኣብ ህይወታ ዓቢ ተራ ከም ዝተጻወተ ደጋጊማ ባዕላ ዝመስከረትሉ ሰብ'ዩ። ዲስኮታት ከሕትመላ ምስ ጀመረ ኮኾባ ንሰማይ ተሰቕለ፡ ካብ'ቶም ካልኦት ከዋኽብቲ ኸኣ ብዝያዳ ብድምቀት ኣብለጭለጨ። ኣብቲ እዋን፡ ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ በዓል ኣምለሰት ኣባይን በረኸት መንግስትኣብን እቶም ዝበለጹ ድምጻውያን ነበሩ። ጸሃይቱ ምስ ተሓወሰቶም ከኣ ባህላዊ ሙዚቃ ትግርኛ ኣብ ዝባን ወጸ። ጸሃይቱ ካብ ጸበብቲ ክብታት ወጺኣ ናብ ዓቢ መድርኽ ምስ ሰገረት ኤርትራውያንን ተጋሩን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ተቐዳደሙላ። ኣብ ተለቪዥን ደጋጊማ ክትርአ ምስ ጀመረት ከኣ ሰብ ብኡንብኡ ፈተዋ። ብኤርትራውያን ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኸኣ ብዙሕ ደገፍን ጠለባትን ከምዝነበራ ይዝረብ። ደርፍታታ ኣብ ፈቐድኡ ቤት መሸጣ ሙዚቃን ባራትን - ፒያሳ፡ መራካቶ - ተዘርግሐ። ተወልደ ረዳ፡ ኣቦ ዘመናዊ ሙዚቃ ኤርትራ፡ ንጸሃይቱ ከምዚ ኢሉ ይገልጻ ... \"ጸሃይቱ ናይ ብሓቂ ተፈጥሮኣዊ ተውህቦ ዘለዋ ደራፊት'ያ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ደራፊት ዝያዳ ነብሰ-ምትእምማን ብምጥራይ ነቲ ሓዲሽ ኵነታት ዓትዒታ ሓዘቶ። ኣብ ሰብዓታት እታ ዝለዓለ ዝና ዝነበራ ደራፊት ክትከውን በቕዐት፣ ኣብ ምምዕባል ደርፊ ትግርኛ ኸኣ ዓቢ ተራ ተጻወተት። ብተወሳኺ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንኣስመራ ምስ ተመልሰት ንመንእሰያት ኤርትራ ሃገራዊ ስምዒቶም ክትጉስጉስ ከኣለት፡ ንስነ-ጥበባውያን ደቂ ኣንስትዮ ድማ መንገዲ ገሊሃትለን'ያ\" እናበለ ይምስክረላ። ኣብ ዘበና - ንሜዳ ኣዲስ ኣበባ ምስ ጠሓሐሰቶ - 'ንጸሃይቱ ዘይፈልጥ ሰብ ይከሰስ' ዝበሃለሉ እዋን ነበረ። ድምጺ ክራራ ምስቲ ልዙብን ሓፊስን ድምጻ ኣወሃሂዳ፡ መረዋሕ ብዚጥዕም ዜማታታን፡ ኣውራ ኸኣ በቶም ልቢ ዝነኽኡ ግጥምታታ ተሰንያ ንህርመት ልቢ ዜንህሩ፡ ንመንፈስ ሃገራውያን ዜሐይሉ፡ ዉዕዉዓት ስምዒታት ዝፈጥሩ፡ ንተዘክሮታት ቀደም ኣብ ቅድሚት ዝሰርዑ ደርፍታታ ገይራ ንኤርትራውያን ወለል ዘበለት ገጸባህራዊት ዜጋ ነበረት። ስዋ ንመለሊኽ ብሰናቲም ዝሽየጠሉ ዝነበረ እዋን፡ እንዳ ስዋ ጸሃይቱ በራኺ መራኸብን መዘናግዕን-ኹሉ ነበረ። ኣብ ስራሕ ክሃልኽ ዝወዓለ ርሂጸ-በላዕ ዝዛነይሉ፡ ገሊኦም ኣብ በረኻታት ኤርትራ እንታይ ይካየድ ከም ዝነበረ ሕሹኽ ኢሎም ንሓድሕዶም ሓበሬታ ዝለዋወጥሉ፡ መንእሰያት ሃገራዊ መንፈስ ዝቐስምሉ፡ ብዓቢኡ ኸኣ ጸሃይቱ ንዜማታታ መኣዛ ብዘለዎ ኣገባብ እተስንቐሉን ቦታ ነበረ ኢሎም ዝገልጹዋ ሰባት ኣሎዉ። ኣደ ዛንታ-ፍቕሪ ደርፍታት ጸሃይቱ፡ ዋላኳ ጨሊፋ ፖለቲካ ትሓውሰሎም፡ መብዝሕትኦም ፍቕራዊ ዝንባሌ ነበሮም። ኣብቲ እዋን \"ኣፍቅራና፡ ኣፍቅራና እንተበልናየን ይኣብያና\" ዝድረፈሉ ዝነበረ እዋን፡ ንሳ ድማ \"ደቂ ብዳማ ዓቢደን ስዓሙና ለሚደን\" ፣ \"ፍቕረይን ፍቕርኻን መዓስ ረሲዐዮ፡ ደይ ጊዜ ስኢነሉ በዚሑኒ ዕዮ\" ... እናበለት ክትደርፍ ዝሰምዐ ሰብ ልቡን ቀልቡን ይስለብ ነበረ ይበሃል። ናይ ፍቕሪ ምድራፍ ካብ ብንእሽትኣ'ያ ጀሚራቶ። ንኣብነት ናይ ጓል ዝናር ደርፊ ተለቂሓ ... \"ደርጊስነይ ዘምጽኣለይ መዘዝ፣ ዘምጽኣለይ መዘዝ ክኸይድ'ዶ ናብ ቀሸይ ክናዘዝ፣ ኣብ ቀሸይ ክናዘዝ።\" ... እናበለት ክትደርፍ ኣብ ሰማዒ ዝዓስሉ ሓሳባት ምግማቱ ኣየጸግምን፣ እንተ ንሳ ግን ዕጅብ ከይበላ ናይ ህይወት እማን ብደርፋ ኣቢላ ከተቕርብ እትኽእል ሓያል ስነ-ጥበበኛ ነበረት። ይዅን'ምበር፡ እቲ ዛዕባ ፍቕሪ ኣብ ሓቂ ዝተመርኰሰ ስምዒት'ኳ ይንበር ምስ'ቲ ዓቃብተኛ ባህሊ ሕብረተሰብ ዝጋጨዉ ሓረጋት ነበሩ ክበሃል ይከኣል። እዛ ኣደ ዛንታ-ፍቕሪ ብምኡዝ ደሃያ ኣቢላ፡ ካብ ባህላዊ፡ ማሕበራዊ ዀነ ጾታዊ ተጽዕኖ ዝተላቐቐ፡ ከምኡ'ውን ነቲ ሓፋርን ቀያድን ባህሊ ፈንጢዛ ከምዚ እናበለት ዝደረፈት ስነ ጥበባዊት ነበረት ... \"ዓርበረቡዕ ግመ ደብረቢዘን ካፋ ሓንሳብ ስዓመኒ ስዕሚ ናይ ሕቝፍኻ ኣይርስዖን'የ ጠባይካ ዀነ 'ቲ ወልፍኻ ኣይርስዖን'የ ጠባይካ ዀነ 'ቲ ባህሪኻ ሓንሳብ'ሞ ስዓመኒ ክሳደይ ጠዊኻ።\" ኣደይ ዉባ እንድርያስ ዝበሃላ ኣደ፡ ንጸሃይቱ ንመጀመርታ እዋን ኣብ ስራሕ ዝቘጸርኣ፡ \"ብናይ ፍቕሪ ደርፍታታ ኣዝያ ፍትውቲ'ያ ነይራ\" ይብላ። ሰማዕታ ድማ ነቶም ናይ ፍቕሪ ሓረጋታ ብቅጭንን ምዕሩግን ኣገባብ ናይ ምቕራብ ዓቕሚ ከም ዝነበራ የስተብህልሉ ነይሮም። እዋን ቁልዕነትን ዕቤትን ጸሃይቱ ጸያቱ በራኺ ኣብ ሰላሳታት ኣብ ኳዓቲት ተወልደት። ቅኒት ኣብ ዝተባህለ ናይ ተሌቪዥን መደብ ባዕላ ከም ዝበለቶ፡ ብ 1933 ከም ዝተወልደት'ያ ትዛረብ። ዝዀነ ኰይኑ ጸሃይቱ ዕባይ ኣስመራ'ያ፣ ኣስመራ ብኣስመርኡ ድማ ኣብቲ ቀንዱ - ኣብ ዓባይ ኣባሻዉል። \"ኣቦይ ምስ ሞተ - ብቖልዓይ ከሎኹ ምዃኑ'ዩ - ኣደይ ንኣስመራ ሒዛትኒ ገዓዘት። ኣደይ እንጀራ እናሸጠት፣ እናቘነነት፣ እናሰፈየት'ያ ኣዕብያትኒ\" ትብል ጸሃይቱ። ኣብ ገዛ ብርሃኑ ኣብ እንዳ ሃለቃ ኣፍወርቂ ፊደል ድሕሪ ምቝጻር፡ ኣብ እንዳ ሴታ (ትምህርቲ ኣዋልድ) መባእታ ትምህርቲ ከም ዝተማህረት ተዘንቱ። \"ኣብ ጐረባብትና ክራረን እንዳተጻወታ ዝደርፋ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ነይረን... ከም ብዓል ጸሃይቱ ገርጊሽ፣ ፋና ዒተል፣ ኣበባ ጓል ኣደይ ደስታ፡ ጽሃይቱ ዝናር ዝበሃላ ነይረን\" ትብል ጸሃይቱ ... ኣብ 'ሰላም' ዘርእስቱ (ክልተ ሲዲ ዝሓቘፈ) ብዛዕባ ዛንታ-ህይወታ ኣብ ሆላንድ ዝተጻሕፈ ንኡስ መጽሓፍ። ቀጺላ፡ \"ጓል ዝናር ጽብቕቲ'ያ ነይራ፣ ዘድንቓ ሰብ፡ ደርፍታታ ኸኣ ይምስጡኒ ነይሮም\" ኢላ ምንጪ ሙዚቃኣ ትገልጽ። ጸሃይቱ 16 ዓመታ ምስ መልአት፡ ንጸወታ ክራር ከኣ ምስ መለኸት፡ ብነብሳ ክትሓድር ጀመረት። ኣብ ኣባሻውል፡ ኣብ እንዳ ኣደይ ዉባ እንድርያስ ዝበሃላ ጸማቚት ስዋ ስራሕ ጀመረት። ካብ ሽዑ ጀሚራ ንድሕሪት ከይበለት ካብ ሙዚቃ ኣይተፈልየትን። ፈተውታ፡ ጽብቕቲ፣ ምጭውቲ፣ ዘይትሓፍር፣ ኣይግዳዳ፣ ብቀይዲ ሕብረተሰብ ዘይትቕየድ፣ ልበ-ምልእቲ ሰብ'ያ ነይራ እናበሉ እዮም ዝገልጹዋ። ትዅን'ምበር፡ ሽግር ንጕዕዞ ህይወታ ከየናሕሰየ እናጓነጸ ኣሰንይዎ'ዩ። \"ኣብ ሙዚቃ ዓለም ምስ ኣተኹ ስድራ-ቤተይ ኣጥቢቖም ይቃወሙኒ ነይሮም\" ኢላ ትዝክር። \"ኣዝማደይ'ውን 'ዋጣ፡ ሓሜን' እናበሉ የሳቕዩኒ ነይሮም\" ኢላ ተዕልል። ኣብ ልዕሊኡ ድማ፡ ጸገም ጸብለልተኝነት ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምስ ድፍረትን ስድነትን ናይ ገሊኦም ዓማውል እናተጋጨወት ትኸይድ ከም ዝነበረት የይዝረብ። ስለዚ እዛ ብሙዚቃኣ ንዓለም ኤርትራውያን ዝለወጠት በሃር ብዙሕ ሕማቕ ርእያ'ያ፣ ተዋሪዳ'ያ። ጸሃይቱ ምስ ኣደይ ዉባ ዳርጋ ንዓሰርተ ዓመት'ያ ሰሪሓ። \"ኣብኡ መጺኦም ደርፈይ ኣብ ቴፕ-ሪኮርደር ክቐድሑ ዝመጹ ሰባት ነይሮም'ዮም ... ንዓይ ብሒደት ኣቕራሽ ኣታሊሎም ንደርፍታተይ ንጥቕሞም የውዕሉዎ ነይሮም\" እናበለት ትዝክሮም ሰባት ነይሮም'ዮም። ሓቃ፡ ደርፍታት ጸሃይቱ - ከም 'ኣስካርባይ ጎማ፡ ክዳነይ ካኪ' - ኣብ እንዳ ሻሂታት፡ ኣብ ኣውቶቡሳት፡ ክድረፍ ዝዝክሩ መሰኻኽር ኣለዉ። ብስሳታት፡ ኣስመራ ተብለጭልጨሉ ዝነብረ እዋን'ዩ ነይሩ። ደገዝማቲ ሓረጎት ኣባይ ከንቲባ ኣስመራ ዝነበርሉ ዘበን ነበረ። ደገዝማቲ ሓረጎት ንመልክዕ ኣስመራ ኣዝዮም ዘመዓራረዩ ከንቲባ ነበሩ። ብዘበኖም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣባይቲ፡ ጽርግያታት፡ ብምስራሕ ንስርሓት ቤት-መዘጋጃ ገጥ ኣቢሎም ዝሓዙ ክኢላ ከንቲባ ነበሩ። ንኣባሻዉል'ውን ፈንጢሖም ንክሰርሕዋ መደባት ከም ዝነበሮም ይዝረበሉ ነይሩ'ዩ። ነፍሲሄር ትካቦ ወልደማርያም፡ ምስ ማ.ት.ኣ. ዀይኑ ኣብ ምዕባለ ሙዚቃ ሃገር ዝነጥፍ ዝነበረ ስነ-ጥበበኛ፡ \"ጨርሒ ከይተሰርሐት ኸላ ጸሃይቱ 'ኣባሻውል ዝባን ጨርሒ ተወሊዓ ወርሒ' እናበለት ትደርፈላ ነይራ\" ዝበለሉ እዋን ነይሩ። ጸሃይቱ ዕድል ጌራ ብተወልደ ረዳ ተጠሊባ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከደት። ኣብቲ ዘበን'ቲ ዓሰርተ ክልተ ኣዝዮም ዉሩያት ደርፍታት ኣብ ዲስኮ ኣሕተመት - 'ኣብ ማይ ጃሕ-ጃሕ'፡ 'መጀመርያ ፍቕሪ'፡ 'ኣሚነይ'፡ 'ላለይ በላ'፡ 'ኣኸዛ ኾይኑ'፡ 'ኣባሻዉል ዝባን ጨርሒ'፡ 'ኣዋልደይ ኪዳ ዕበዳ'፡ 'ሓዳረይ መን ክኣልየለይ' ...ወዘተ.። እቲ ዘገርም፡ ጸሃይቱ ንናይ ደርፍታታ ግጥምታት ኰኑ ዜማታት ባዕላ ብምጽሓፍን ምድላውን፡ ብክራራ ተሰንያ ኸኣ ባዕላ ትደርፎም ነበረት። ጸሃይቱ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ናብ ሆላንድ ኣብ ዘበን ደርጊ ኵነታት እናኸፍአ ይኸይድ ስለ ዝነበረ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ልቡ ብዝያዳ ናብ ሓርነታዊ ቃልሲ ምስ ኣንቀደ ጸሃይቱ ኸኣ ናብ ሜዳ ኤርትራ ንክትጋደል ወረደት። \"መጀመርታ ንጸዓዘጋ፡ ካብኡ ንመንደፈራ፡ ካብኡ ድማ ንባርካ ወሪደ\" ትብል ጸሃይቱ። \"ኣብ ባርካ ወተሃደራዊ ታዕሊም ተማሂረ ኣብ ክፍሊ ሙዚቃ መደቡኒ\" ኢላ ወሰኸትሉ። \"ዕለት 5 ግንቦት 1978 ኣብ ተሰነይ ምርኢት እንዳርኣና ነፋሪት ኢትዮጵያ ደበደበትና፣ ካብቶም ቦምባታት ኣብ እኩብ ሰብ ወደቑ። ብዙሓት ተወጊኦም ሸውዓተ ሰባት ከኣ ሞቱና፣ ኣነ ኸኣ ፍንጫል ቦምባ ኣብ ርእሰይ ሃሪሙኒ ተሃሰኹ። ንሓደ ዓመት ዝኸውን ኣብ ሕክምና ተዓቘብኩ\" እናበለት ብተዘክሮታት ሜዳ ተዕልል። ብድሕሪኡ ኣብ ዉሽጢ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ስኒት ስለ ዘይተረኽበ፡ ኣብ ሱዳን ንሓያሎ ዓመታት ድሕሪ ምጽናሕ ጕዕዞኣ ንሆላንድ ኣቕንዐት። ኣብ ሆላንድ ኰይና፡ ብደገፍ ሓደ ዘ-ኤክስ ዝተባህለ ሆላንዳዊ ባንድ ተሰንያ፡ \"ሰላም\" ዘርእስቱ ማንታ ሲዲ ኣሕተመት። ምስኡ ኸኣ፡ ምስቲ ሲዲ ጠቢቑ ዝሽየጥ፡ ታሪኽ ህይወታ ዚገልጽ ንኡስ መጽሓፍ ቀረበ። እቶም ሲዲታት ናይ ቀደም ብሉጻት ደርፍታትን ገለገለ ሓደስትን ሒዙ ቀረበ። ኣብታ ሰላም ዘርእስታ ደርፊ ንበዓል ኣብርሃም ተኽለ፡ ደረስ ብርሃነ ዘኣመሱ ጀጋኑ ተ.ሓ.ኤ. ከመይ ኢሎም ከም ዝሓለፉ ብምዝካር ትደርፈሎም'ያ። ጸሃይቱ ኣብ ስደት ጸሃይቱ ኣብ ሮተርዳም (ሆላንድ) ን30 ዓመት'ያ ነቢራ። ንምንታይ ድሕሪ ናጽነት ንኤርትራ ዘይተመልሰት ንዓኣ ክግደፍ ዘሎዎ ሕቶ'ዩ፣ ምሳና ግን የላን። ብዙሓት ሰባት እዛ ንኤርትራ ኣብ ቅድሚት ሰሪዓ ንሰላሳ ዓመታት ብጥበባ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ወሪዳ ንናጽነት ዝተጋደለት ኣደ ብክብሪ ክትእለ ምተገብአ ዝብሉ ብዙሓት ኣለዉ። እዛ ኣብ ሞንጎ ድኻታት፡ ዉጹዓት ደቂ ኣንስትዮ፡ ሸቃሎ ዝተመላለሰት፣ ኣብቲ ጭቕጫቕ ሰፈር - ከባቢ ኣባሻዉል - ንእስነታ ዘሕለፈት፣ ምስ ጎበዘት ከኣ ኣብ ሽቕለትን ስዋ ምጽማቝን ምድራፍን ዝኣተወት፣ ብዜማታታ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዓቢ ዝና ዘጥረየት፣ ዝናኣ ኣብ ሓገዝ ሃገራ ዘውዓለት፣ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ - እኳድኣ ምስ መውጋእቱ - ኣብ ሜዳን ሱዳንን ኰይና ዝተቓለሰት፣ ከም ሰባ ድማ ኣብ ሆላንድ ዑቝባ ዝሓተተት፣ ኣብኡ ኸኣ ተፈላጥነታ ሃሲሱ ሽም ከምዘይብላ ንበይና ዝነበረት፣ ኤርትራ መበል 27 መዓልቲ ናጽነት ከተብዕል ጸሃይቱ ኸኣ ኣብ ሮተርዳም ኣብታ መዓልቲ'ቲኣ ካብዛ ዓለም ተፈልየት።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60678446"} {"headline":"ህንዲ፡ 'ናይ ምርሳዕ መሰል' ንክረክብ ዝቃለስ ዘሎ ስነ ጥበባዊ","content":"ብሓንቲ ጌጋ ንኽንደይ እዋን ክትቕጻዕ ትኽእል? ህንዳዊ ተዋሳእን ፍሉጥ ኣቕራቢ ሪያሊቲ ሾውን ኣሹቶሽ ኩሺክ'ውን ነዚ ኣመልኪቱ ዘተኣኻኸቦ ፊርማ ሎሚ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዴልሂ ከቕርቦ'ዩ። ንሱ፡ እቲ ብጌጋ \"ቅድሚ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዝፈጸሞ ስሕተት\" ህይወቱ ቖሪኑዎ ሒዙዎ ብምህላው እቲ ቤት ፍርዲ \"ናይ ምርሳዕ መሰል\" ክህቦ ይጠልብ። እቲ \"ናይ ምርሳዕ መሰል\" ወይ \"ናይ ምጥፋእ መሰል\" ኣብ ኢንተርነት ዝርከቡ ህዝቢ ዝፈልጦም ውልቃዊ ሓበሬታታት ዝጠፍእሉ መሰል ምርካብ እዩ ክብሉ ሰብ ሞያ የረድኡ። እዚ ዋላ'ውን ሕብረት ኤውሮጳ ኣፍልጦ ዝሃቦ መሰል እንተኾነ፡ ኣብ ህንዲ ግን ሓድሽ ሓሳብን ብሕጊ ዘይተነደፈን እዩ። ኩሺክ ኣብ 2007 ሓምሻይ ዙርያ ሽልማት ሪያሊቲ ሾው ኤምቲቪ፣ ኣብ 2008 ድማ 'ቢግ ቦስ' ዝተባህለ ፍሉጥ ሽልማት ህንዲ ምስ ተዓወተ'ዩ ኣብ ህንዲ ኣዝዩ ህቡብ ኮይኑ። እዞም ሽልማታት \"ካብ መላእ ህዝቢ ህንዲ ምስጋና፣ ፍቕርን ናእዳን\" ከም ዘውሓዝሉ ይዛረብ። እዚ ህቡብነት ግን ነዚ ተዋሳኢ ጽቡቕ ፋል ኣየምጽኣሉን። ድሕሪ ሓደ ዓመት (2009) መስተ ሰትዩ መኪና እናዘወረ ተታሒዙ። ቤት ፍርዲ 2,500 ሩፒ (33 ዶላር) ክኸፍልን ናይ መኪና መምርሒ ፍቓዱ ንሓደ ዓመት ክእገድን ክውስን እንከሎ፡ ኣብታ መዓልቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ክጸንሕ ተኣዚዙ ነይሩ። ኣብታ ሃገር ፍሉጥ ስለ ዝነበረ እዚ ክስተት ርእሰ ዜና ማዕኸናት ዜና ኮይኑ። ብዛዕባ እዚ ዝምልከቱ ዝኾነ ሰብ ጉግል ገይሩ ክረኽቦም ዝኽእል ብዙሓት ዜናታት፣ ስእሊታትን ቪድዮታትን ተዘርጊሖም። እዚ ኹሉ ብውልቁን ብሞይኡን ዓብዪ ዋጋ ከም ዘኽፈሎ ይዛረብ። \"ሽዑ ወዲ 27 ዓመት'የ ነይረ። ኣብ ህይወተይ ብኣጋ'የ ኩሉ ክረክብ ደልየ። ኣቦይ ስለ ዝሞተ ዝኾነ ዝገንሓኒ ሰብ ኣይነበረን። ልምዲ ስለ ዘይነበረኒ ኣጥፊአ፤ ንዕኡ ኽኣ ተቐጺዐ'የ። ሕጂ ግን ወዲ 42 ዓመት'የ፤ ግን ክሳብ ሕጂ ዋጋ ዝኸፍል ዘለኹ ኮይኑ'ዩ ዝስምዓኒ\" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ። ድሕሪ እቲ ክስተት፡ ሰባት ከጓንዩዎ ከም ዝጀመሩ ዝገልጽ ኩሺክ፡ ሕጂ ሰባት ብዛዕብኡ ዘለዎም ኣጠማምታ ሕማቕ ምዃኑን ካብ ስርሑ ከም ዘብኾሮን የረድእ። \"ብተደጋጋሚ ንሓዳር ዝሓተትኹወን ነጺገናኒ'የን። ገዛ ብዝቐየርኩ ቑጽሪ ድማ ጎረባብተይ ብጎቦ ዓይኒ ይርእዩኒ\" ይብል። ኣብ 2020 ግን፡ ኣሪፕታ ዝተባህለት ሰራሕተኛ ባንኪ ተመርዒያቶ። ወለዳ ግን ብሰንኪ እቶም ኣብ ኢንተርነት ዝርኣዩዎም ቪድዮታት ኩሺክ ከይትምርዓዎ ኣእሚኖምዋ ነይሮም። \"ኣዝማደይ ሕሉፍ ህይወቱ የተሓሳስቦም ነይሩ። ሓወይ እዚ ሓዳር ስለ ዘይተቐበሎ ክሳብ ሕጂ ኣየዛርበንን። ግን ክኣ ኩሉ ሰብ ይጋገ'ዩ፤ ንምንታይ ድኣ በዓል ቤተይ ህይወቱ ሙሉእ ይቕጻዕ?\" ትብል። ኩሺክ ብወገኑ \"ቤት ፍርዲ ክቐጽዕ እንከሎ 'ግዜ ገደብ' ኣለዎ። እቲ ዲጂታላዊ መቕጻዕቲ'ውን ናይ ግዜ ገደብ ክህልዎ ኣለዎ\" ኢሉ። ንዝሓለፉ ዓመታት ብርክት ዝበሉ ድረ ገጻት ዜናን ቻነላትን ዝሰቐሉዎም ጽሑፋት፣ ስእልን ቪድዮታትን ከውርዱዎም ወይ ክኣልዩዎም እኳ እንተሓተተ መብዛሕትኦም ሕጂ'ውን ኣይጠፍኡን ዘለው። ናብ ሚኒስትሪ ሓበሬታን ብሮድካስትን ህንድን ጉግልን'ውን ጽሒፉ፤ መልሲ ግን ኣይረኸበን። ኩሺክ፡ ኣብ ፊልምታት ቦሊውድ ብምውሳእ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብቲ ሕጂ ኣተኣኻኺቡዎ ዘሎ ፌርማ ድማ እቶም ብዛዕብኡ ዝተጽሓፉ ጽሑፋት \"ዓሚቕ ቓንዛን ስነ ልቦናዊ ቓንዛን\" ከም ዘስዓብሉ ብምጥቃስ ቤት ፍርዲ: መንግስቲ ህንዲ: ጉግልን ቤት ምኽሪ ፕሬስ ህንድን \"እቶም ትሕዝቶታት ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ኦልናይን ገጻት ክኣልዩዎም\" ትእዛዝ ክህብ ይጠልብ። ኣብታ ሃገር ንሱ ጥራሕ ኣይኮነን ናይ ምርሳዕ መሰል ክረኽቡ ዝሓትት ዘሎ። ካልኦት ብርክት ዝበሉ ሰባት'ውን - መብዛሕትኦም ናይ መቕጻዕቲ ግዝኦም ዝወድኡ - ተመሳሳሊ ጠለብ የቕርቡ'ዮም። ክኢላ ቴክኖሎጂ ፕራሳንቶ ኬ ሮይ ግን ኣብዚ ሕጂ እዋን ህንዳውያን ናይ ምርሳዕ መሰል ክረኽብሉ ዝኽእሉ መገዲ የለን እዩ ዝብል። \"ንጉግል ሓዊስካ ኢንተርነት ዓብዪ ምህዳር'ዩ። ዊኪፒዲያ፣ ሚዲየም ዝብሃሉ ምስ ከም ፌስቡክን ትዊተርን ዝበሉ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ኣሽሓት ብሎጋትን ኣለው\" ይብል። ቅድሚ ገለ ዓመታት \"ብዛዕባ ሓንቲ ብተደጋጋሚ ሽማ 'ናታ ምስ ዘይኮነ ሰብኣይ' ዝለዓል ዝነበረት ጓል ኣንስተይቲ ንጉግል ኣዘራሪበዮ ነይረ። ግን ሓገዝቲ ኣይነበሩን፤ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ'ውን ሓደ ናይ ጸጥታ ኣካል ሽሙ ክለግስ ደልዩ ወግዓዊ ብዘይኮነ መገዲ ሓቲቱ ኣይሰርሐን፤ ብወግዓዊ መገዲ ግን ተዓዊቱ\" ክብል ይገልጽ። ጉግል፡ ብቐሊሉ ንገለ ሓበሬታታት ክዓጽዎም ዝኽእል እኳ እንተኾነ ምስቲ ኣብ ህንዲ ዘሎ ተኣፋፊ ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ ኩነታት ሰባት ሃጽ ኢሎም ተቓውሞ ከልዕሉ ይኽእሉ'ዮም ዝብል ዓብዪ ስግኣት ከም ዘሎ እቲ በዓል ሞያ ኣረዲኡ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60385198"} {"headline":"ሮበርት ሂዩዝ: ኣውስትራልያዊ ተዋሳእን ፆታዊ በደል ዘብፀሐን ናብ ብሪጣንያ ክስጐጕ እዩ","content":"ኣውስትራልያዊ ተዋሳኢ ሲትኮም ሮበርት ሂዩዝ ኣብ ልዕሊ ቘልዑ ብዘብፀሖ ፀታዊ ማህሰይቲ ተፈሪድዎ ድሕሪ ምፅንሑ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወፂኡ ናብ ብሪጣንያ ክስጐግ እዩ። ህዩዝ ኣብቲ ኣብ ቲቪ ኣውስትራልያ 'ሄይ ዳድ' ኣብ ዝብል ልዕሊ 20 ሃገራት እተራእየ ናይ መደብ ቴሌቪዥን ብዝነበሮ መሪሕ ግደ እዩ ዝና ዝረኸበ።\\nብ2014 ኣብ 1980ታትን 1990ታትን ኣብ ልዕሊ ኣዋልድ ብዝፈፀሞ ፀታዊ ገበን ቈልዑ ገበነኛ ዀይኑ ተፈሪድዎ።\\nእቲ ወዲ 73 ዓመት ዝኾነ ህዩዝ፡ ሓሙስ ብሰበ ስልጣን ኣውስትራልያ ናጻ ኾይኑ እዩ።\\nናይ ኣውስትራልያ ዜግነት ስለ ዝተሓደገ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈትሐ ምስ ሰበይቱ ናብ ዝነብረሉ ብሪጣንያ ኪስጐጕ እዩ።\\nህዩዝ ናፃ ንኽኸውን ንልዕሊ ኽልተ ዓመት ብቑዕ እንተነበረውን ስግኣት ማሕበረሰብ ክኸውን ስለዝኽእል ኽልተ ሳዕ ናፃ ከይከውን ተኸልኪሉ ኢዩ። ንሱን ስድራ ቤቱን ነቲ ዝፈፀሞ ገበን እንተነፀግዎ እውን ካብ'ቲ ናፃ ንኽወፅእ ዘቕረቦ ናይ መወዳእታ ሕቶ ኣትሒዙ ምስ ተፈትሐ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕክምና ክግበረሉ ከም ዝፅዕርን ምስ ቈልዑ ብዘይ ቍፅፅር ከምዘይራኸብን ቃል እትዮም እዮም።\\nእቶም ናፃ ከምዝወፅእን ከምዝስጐግን ዝተነግሮም ሰበ ስልጣን ብሪጣንያ ክትትል ከምዝግበረሉ ኣረጋጊፆም ኣለዉ።\\nእዚ ዀነ እቲ ህዩዝ ካብ ናይ ምጕዳእ ኣጋጣሚ ዝተሓተ ምዃኑ ዝገልጽ ስነ ኣእምሮኣዊ ገምጋም ነቶም ሰበ ስልጣን ንምዕጋብ እኹል እዩ ነይሩ ። እስካብ ሰነ 14 ከምዝፍታሕ ድማ ትፅቢት ይግበር።\\n\\n'ሃዳናይ ጠባይ' ቤት ፍርዲ ብ2014 ህዩዝ ን20 ዓመት ዝፀንሐ ፆታዊ ርኽሰት ከምዝፈፀመ ዝሕብር መርትዖ ምስሰምዐ ኣብ ልዕሊ እተን ካብ ሸውዓተ ኽሳዕ 15 ዝዕድመአን 10 ኣዋልድ ብፆታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻሙ ገበነኛ ዀይኑ ተፈሪድዎ።\\nፒተር ዛህራ ዝበሃል ዳኛ ንቲ ብይን ክፈርድ ከሎ ነቲ ዝነበሮ መትከል ብዘይግቡእ ተጠቒሙ ገርህነትን መንእሰይነትን ቈልዑ ይምዝምዞ ኸም ዝነበረ ገሊፁ ነይሩ፤ 'ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ንኣሽቱ ኣዋልድ ብመይላ ፆታዊ ማህሰይቲ ይፍፅም ነይሩ።'\\n''ባህሪኡ ሃዳናይ ጠባይ እዩ ዘርእይ ነይሩ'' ይብል። ዴቪድ ፍሪርሰን ዝተባህለ ዳኛ ናፃ ምዃኑ እቶም ግዳያት ንምቕባል ከምዝኸብዶም ይገልፅ። \"እቲ ኣብቶም ግዳያት ዝወርድ ዓሚቝን ጐዳኢን ሳዕቤን ንፁር ኢዩ።... ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝቕፅል ምናልባት እውን ኣብ መላእ ህይወቶም ሳዕቤን ዝህልዎ እዩ̃\" ይብል። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን \"ብዙሓት መሰኻኽር ዘእምንን ማእለያ ዘይብሉን መርትዖ እናሃለወ፡ እቲ በዳሊ ብቐፃልን ብድርቅና ክኽሕዶ ኸሎ ምርኣይ ብፍላይ ነቶም ግዳያት ኣዝዩ ዘጕሂ እዩ።\"\\n‘ሄይ ዳድ!’ ኣብ ኣውስትራልያ ኣዝዩ ህቡብ ዝነበረን ክሳዕ 1994 ድማ ንሸሞንተ ወቕቲ ዝተራእየን እዩ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyelz93n5y0o"} {"headline":"ኮኾብ ሆሊውድ ዊል ስሚዝ ንተዋሳኣይ ክሪስ ሮክ ኣብ መድረኽ ኦስካር ጸፊዑዎ","content":"ኮኾብ ተዋስኣይ ሆሊውድ ዊል ስሚዝ ነቲ ብስም ሰበይቱ ጃዴ ፒንኬት ዝቐይዐ ተዋስኣይ ክሪስ ሮክ ናብ መድረኽ ብምድያብ ብጽፍዒት ሃሪምዎ። ምሉእ ብምሉእ ንዝተላፀየ ፀጉሪ ርእሲ ፒንኬት ስሚዝ ኣልዒሉ ክቕይዕ ዝተሰምዐ ክሪስ ሮክ፡ ንስሚዝ ዘሕጎስ ኣይነበረን። ዊል ስሚዝ ናብቲ መድረኽ ብምድያብ ንክሪስ ሮክ ኣምሪሩ ብፅፍዒት ክሃርሞ እንከሎ፡ ናብ መንበሩ ተመሊሱ ኰፍ ምስ በለ ድማ ብሕርቃን “ሽም በዓልቲ ገዛይ” ኣይተልዕል ክብል ንክሪስ ሮክስ ገኒሕዎ። ፀኒሑ ግን ብሉጽ ተዋስኣይ ብዝብል ሽልማቱ ኣብ ዝተቐበለሉን መደረ ኣብ ዘስምዓሉን ይቕሬታ ሓቲቱ’ሎ። “ነዚ ኣካዳሚ [ሽልማት ዘዳለወ ኦስካር ኣካዳሚ] ይቕሬታ ክብል እደሊ። ንኹልኹም ሕጹያት ብጾተይ ይቕሬታ እብል” ክብል ተዛሪቡ። ንሱ ኣቦ ናይተን ኣብ ግጥማት ቴኒስ ስሙያት ዝኾና ቬነስን ሰሪና ዊልያምን ኮይኑ ብዝተዋስአሉ ‘ኪንግ ሪቻርድ’ ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ፊልም ብዘርኣዮ ብሉፅ ብቕዓት’ዩ ነቲ ሽልማት ተዓዊቱ። ጽፍዒት ኣብ መድረኽ? በዓልቲ ግዝኡ ንዊል ስሚዝ ጃዴ ፒንኬት ናብቲ መድረኽ ሽልማት ክትመጽእ ከላ ጸጉሪ ርእሳ ምሉእ ብምሉእ ዝተላጽየ ነይሩ። ፒንኬት፡ ‘ኣለፒሽያ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ጸጉሪ ዘጥፍእ ጸገም ጥዕና ከም ዘለዋ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣቢላ ኣፍሊጣ ነይራ። ናብ መድረኽ ዝደየበ ፍሉጥ ተዋዛዪን ተዋሳኣይን ክሪስ ሮክ ግን ንስም በዓልቲ ቤት ዊል ስሚዝ ኣልዒሉ ምስቲ ጸጉሪ ዘይብሉ ርእሳ ብዝተሓሓዝ ክዋዘ ተሰሚዑ። ክሪስ ንጃዴ ስሚዝ ምስታ ኣብ 1997 ኣብ ዝተሰርሐት “ጂ ኣይ ጄን” ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘለዋ ፊልም ምስ እትዋሳእ ገጸ-ባህሪ ከነጻጽራ’ዩ ፈቲኑ። ኣብታ ናይ ሽዑ ፊልም ዝሰርሐት ፍልጥቲ ተዋሳኢት ደሚ ሙር ምሉእ ብምሉእ ጸጉሪ ርእሳ ዝተላጸየት ገጸ-ባህሪያት ተጠቂማ ነይራ። ንጄ ኣይ ጂን ንጃዴ ፒንኬትን ብምምስሳል ክዋዘ ዝፈተነ ክሪስ ሮክ ንተዓደምቲ እቲ መድረኽ ከስሕቖም’ኳ እንተኽኣለ ንዊልስሚዝን በዓልቲ ቤቱን ግን ኣየሐጎሶምን። ጃዴ ኣብ ገፃ ሕርቃን ክረኣይ ከሎ ዊል ስሚዝ ካብ መንበሩ ተሲኡ ናብቲ መድረኽ ብምኻድ ንክሪስ ሮክ ብጽፍዒት ኣትሪሩ ወቕዖ። ብተግባር ዊል ስሚዝ ዝተሰናበደ ክሪስ ንዕዱማት እቲ መድረኽ “እዚ ምሸት ኣብ ታሪኽ ቴሌቪዥን ዝዓበየ ምሸት’ዩ” ክብል ተዛሪቡ። ንሱ ናብቲ መድረኽ ዝደየበሉ ምኽንያት ብሉጽ ሰነዳዊ ፊልም (ቤስት ዶክመንታሪ) ብዝብል ዓውዲ ንዝተዓወተ ከፋልጥን ሽልማቱ ክህብን’ዩ ነይሩ። ንተዓዋቲ ሽልማት ሂቡ ድማ ካብቲ መድረኽ ወሪዱ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60897796"} {"headline":"ራሄል ኣስገዶም፡ ባህሊ ንባብ ንምምሕያሽ ኣንቂላ 16 መጽሓፍቲ ቈልዑ ዘሕተመት ኤርትራዊት","content":"ኣብ ሕብረተሰብና ዘሎ ትሑት ባህሊ ንባብ ካብ ታሕቲ ካብ ሱሩ ንምምሕያሽ፡ ኣብ ቈዑን ህጻናትን ኣድሂብና ክንሰርሕ ኣለና ዝብል እምነት ከም ዘለዋ ትገልጽ ራሄል ኣስገዶም፡ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ስለስተ ምድብ ዝመቐለተን 16 መጻሕፍቲ ቈልዑ ኣሕቲማ። ዝሓለፈ መጋቢት 2022 ድማ ኣብ ኣስመራ ኣመሪቓ፡ ኣብዚ እዋን ብውሱን ቁጽሪ ንዕዳጋ ዘርጊሓ’ላ። ራሄል፡ ጐድኒ ጐድኒ’ቲ ኣካዳምያዊ ንጥፈታታን ካልእ ሞያኣን ኣብ ድርሰት’ውን ዝነጠፈት ኰይና፡ ‘ኣብ ሞያ ድርሰት ኣድማዒ ተራ ክህልወካ እንተዀይኑ፡ ኣንበብቲ ክህልዉ መሰረታዊ እዩ፣ ብዘይ ህልወ ንጡፋት ኣነብበቲ ዝጸሓፍካዮ ዕላማኡ ክወቅዕ ኣይክእልን እዩ፡ ዝብል መርሓ ኣለዋ። ኣብዚ እዋን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ስነጽሑፍ ቈልዑን ህጻናትን ጥራይ ኣድሂባ ትሰርሕ ከም ዘላ እያ ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ዝገበረቶ ቃለመጠይቕ ትገልጽ። እዛ ከምዚ ዝበለ ምስ ሕብረተሰብን ዝጸንሐ ባህሉን ዝተኣሳሰር ብዓቢይ ዓሊማ ብዕትበት ትሰርሕ ዘላ ጸሓፊት ግን ብቐዳምነት መን እያ? ራሄል ኣስገዶም ዘርአ ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዓብያ፣ ኣብኡ ኸኣ ትነብር ኣላ። መባእታ ትምህርታ ኣብ ካምቦኒ - ላልምባ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ቤት ትምህርቲ ድሕሪ ምምሃር፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰማእታት ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ዛዚማ። ብድሕሪኡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብቛንቋን ስነጽሑፍን እንግሊዝ ቀዳማይ ዲግሪ ወሲዳ፣ ብዘመዝገበቶ ነጥቢ ድማ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ከም ተሓጋጋዚት መምህር [Graduate Assistant] ኰይና ክትሰርሕ ዕድል ረኺባ። ቀጺላ ትምህርታ ንምቕጻል ናብ UCLA ኣሜሪካ ብምኻድ፡ ኣብ ስነጽሑፍ ኣፍሪቃ ኣድሂባ ናይ ማስተርስ ትምህርታ ዛዚማ። ናብ ኤርትራ ተመሊሳ ድማ ኣብ ሞያ ምምህርና ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣ ኣብ ደረጃታት ፊልም ኤርትራ ንዓመታት ሰሪሓ እያ፤ ጐድኒ ጐድኑ ድማ ኣብ ድርሰት፡ ኣርትዖትን ዝተፈላለየ ስርሓት ትርጕምን ክትነጥፍ ጸኒሓ። ራሄል ቅድሚ ሕጂ፡ 'Before she breaks my heart' ትብል ሓንቲ ልበወለድ፣ ሓንቲ እኩብ ግጥሚታትን ሓጸርቲ ዛንታታትን ዝሓዘት ‘Some sweetly kept thoughts ትብል’ውን መጽሓፍ፣ ከምኡ’ውን፡ እኵብ ዛንታታት ቈልዑ ዝሓዘት፡ ‘Colorful stories’ እትብል መጽሓፍ ምስ ተመሃሮኣ ብሓባር - ኵለን ብቛንቋ እንግሊዘኛ - ኣሕቲማ እያ። ራሄል፡ ኣብዚ እዋን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዛንታታ ቈልዑ ኣድሂበ ኣብኡ ጥራይ እየ ዝሰርሕ ዘለኹ እያ ትብል። ድርኺት’ዚ ዕላማኣ ክትገልጽ እንከላ፡ ‘ኣብ ምጽሓፍ ዓለም ኴንካ ብኣድማዕነት ክትወጽእ፣ ዝጸሓፍካዮ ናብቲ ዝተደልየ ክበጽሕ ኣንባቢ ክርከብ ኣለዎ - ዓይነት ኣንባቢ ድማ ንቑሕ\/ንፉዕ ወይ ክሪቲካል ኣንባቢ ክህሉ ኣለዎ ኢላ እያ ትኣምን። “ኣብዚ ኣብ ዓድና ግን እቲ ባህሊ ንባብ የለን። ስለዚ ንዕኡ መፍትሒ ክኸውን ብምሕሳብ ደቅና ካብ ብንእሽቶኦም ክንኵስኩሶም እሞ ንፉዓት ኣንበብቲ፡ ‘ክሪቲካል ሪደርስ’ ንክዀኑ፡” ካብ ታሕቲ ንምዅስኳስ ምእንቲ ክንክእል ዝብል ሓሳብ እያ ተልዕል። ስለዚ እቲ ጸገም ካብቶም ቈልዑ ጀሚርካ ክፍታሕ ኣለዎ፣ ብምባል ንታሕቲ ወሪዳ ክትሰርሕ ከም ዝወሰነት ተረድእ። ብመሰረት ኣገላልጻኣ፡ ልምዲ ንባብ ከሕድሩ ክበሃል እንከሎ፡ ስቕ ኢልካ ተራ ንባብ ዘይኰነስ ብቝዕ ኣናብባ ማለት እዩ። በዚ ኸኣ እቶም ቈልዑ፡ “ብ ወለዲ፡ ብ መምህራኖም ተሓጊዞም፡ ኣብ ንጥፈታት ንባብ ክዋስኡ ይኽእሉ፡” ትብል። እንተዀነ፡ “ባህሊ ንባብ የለን፡” ዝብል ንባዕሉ ኣከራኻሪ እዩ፣ ኣንበብቲ ብኣንጻሩ ዝንበብ ማተሪያል ዘይምህላው እዩ ከም ምኽንያት ዝቐርብ ንዝብል ሕቶ ቢቢሲ ትምልስ። ብፍላይ ኣብ ጽሑፋት ቈልዑ መጺእና እንተርኢና ልክዕ እዩ ቈልዑ ኣብ ከባቢኦም፡ ምስ ባህሎምን ከባቢኦምን ብቐጥታ ዝዕዘብዎ ዝሳነ፡ ዝስሕቦም፡ ብቛንቛኦም ዝዳሎ ብቝዕ መጻሕፍቲ ብብዝሕን’ውን ዳርጋ ኣይርከብን እዩ። ካብዚ ብምንቃል’ውን ነዚ መጽሓፍቲ ከዳሉ እንከለኹ ነዚ ሕጽረት’ዚ ከም መፍትሒ ብምሕሳብ፡ “ንደቅና ነዳልወሎም፡ ንዕኦም ዝመስል፡ ንሳቶም ብቐሊሉ ክርድእዎ ዝኽእሉ እሞ ስምዒት ክፈጥረሎም ዝኽእል ጽሑፋት ከነዳልወሎምን ኣማራጺታት ክንፈጥረሎምን፡” ብምባል ዝተዳለወ እዩ ብምባል ተብርህ። “እዚ’ውን ሓደ ካብቲ ኣብ መጽሓፍቲ ቈልዑ ከድህብ ዝገበረኒ እዩ፣ ንዕኦም ዝበቅዕ ብቐሊሉ ዝረኽብዎ - ብዋጋኡ’ውን - ዓይነታት ጽሑፋትን መጽሓፍትን ምድላው።” እዘን ተሓቲመን ተዘርጊሐን ዘለዋ 16 መጽሕፍቲ፡ ኣብ ሰለስተ ምድብ ዝተዳለዋ ኰይነን፡ እቲ ቀዳማይ ምድብ ስርሓት ትርጕም እዩ። “ካብ ካልእ ቋንቋታት ንደቅና ይበቕዑ እዮም ዝበልናዮም፡ ብመልክዕ ትርጕም ዝቐረበ፣ ሌላ ምስቲ ካልእ ሕብረተሰብን ዓለምን ክህልዎም’ውን ስለዘለዎ ብኸምኡ ተሓሲቡ ዝተዳለወ እዩ፡” ብምባል እተን ኣብዚ ምድብ ዝተዳለዋ መጽሓፍቲ ብዝሐን ሰለስተ ምዃኑ ተነጽር። እቲ ካልኣይ ምድብ፡ “ነንብበሎም” ዝብል ኰይኑ፡ ወለዲ ንደቈም ኮፍ ኢሎም ዘንብቡሎም፡ ዝተፈላለየ ዛንታታት ብስእሊን ብሕብሪን ኣሰኒኻ ዝተዳለወ፣ ሸውዓተ ዝብዝሑ መጽሓፍቲ እዩ። እቲ ሳልሳይ ምድብ ድማ “ንመሃር” ዝብል ኰይኑ፡ እዚ ኣብ መዋእለ ህጻናት ዘለው ቈልዑ፡ ምስ መማህራኖም ኰይኖም ኣብኡ ዘልዕልዎ ቴማታት ብመልክዕ መጽሓፍ ቀሪብካ ከንብብዎ ዝኽእሉ ኰይኑ ዝተዳለወ፣ ሽዱሽተ መጽሓፍቲ ዝሓቘፈ ምዃኑ ራሄል ትገልጽ እዩ። ንቘልዑ ዝበቅዕ መጽሓፍቲ ምድላው ቀሊል ኣይኰነን፣ ምስ ኣተሓሳባኦም ደረጃኦም ዝሳነ ምእንቲ ክኸውን ፍሉይ ጻዕሪን መጽናዕትን ዝሓትት ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኰነን። ራሄል እቲ ኣብ ሞያን ትምህርትን ስነጽሑፍን ዝጸንሓ ውህሉል ተመኵሮ ከም መበገሲ ዝውሰድ ኰይኑ ብግብሪ ንምትርጓሙ ካብ ዘካየደቶ ንጥፈታት ግን ተበርህ። “ብውሑዱ ኣብ ሃገርና ኣብ መዋእለ ህጻናት ዘልዕልዎ ኣርእስታት ኣሎ፡ ነዕኡ ርእየዮ እየ። ካብኡ ነቒለ እየ ክዳልዎ ክኢለ። ንኣብነት ኵነታት ኣየር፡ ሰላምታ፡ ዜና ኢሎም ዘቕርብዎ’ውን ኣሎ ብዛዕባ መዓልታዊ ንጥፈታት፡ ንዅሉ ብጥንቃቐ ኣጽኒዐዮ እየ፡” ብምባል እዚ መጽሓፍቲ ከም ሓጋዚ ንባባት ኰይኑ ይጠቕሞም ዝብል መረዳእታኣ ተካፍል። “እቲ ኣብ ምድብ ‘ነንብበሎም’ ዘሎ ጽሑፋት ከኣ ኣብ ደቀይ እየ ፈቲነዮ፣ ኣንቢቦሞ እዮም ዓብዮም ውጽኢቱ ድማ ርእየዮ፣ ጽቡቕ ስለዝዀነ እየ ኸኣ፡ እቲ ዝሰፍሐ ሕብረተሰብ ተጠቃሚ ክኸውን ኣሕቲመ ክዝርግሖ ወሲነ፡” ትብል። በዅሪ ወዳ ኤታን ዳዊት ገና ተማሃራይ መባእታ እናሃለወ፡ ካብ እንግሊዝኛ ናብ ትግርኛ ዝተርጐሞ መጽሓፍ’ውን ኣብቲ ናይ ትርጕም መጽሓፍቲ ቀሪቡ'ሎ። በዚ መሰረት፡ እቲ ኣብ ደቃ ዝረኣየቶ ፍቱን ውጽኢት ከም ነጸብራቕ ኣድማዕነት እዚ መጻሕፍቲ ምዃኑ’ያ ተረድእ። ብሓፈሻኡ እዚ መጽሓፍቲ ንምድላው ልዕሊ 10 ዓመታት ጻዕሪ ሓቲቱ እዩ። “ምስ ደቀይ ብዙሕ ግዜ ኣንቢብናዮ፡ ሓሊፍናዮ፡ ግዜ ዝወሰደ ብዙሕ ምትዕርራይ’ውን ተገይሩሉ እዩ፡” ኸኣ ትብል። ኣብ ርእሲ’ዚ እቲ መጽሓፍቲ ሕብራዊ ብምዃኑ ዋጋ ሕትመት’ውን ከቢድ እዩ። ስለዚ፡ ክብደት’ቲ ስራሕ ቀሊል ዘይምንባሩ ዘይሓብአት ራሄል፡ “ከቢድ እዩ ኢልካ ግን ስቕ ኣይበሃልን፣ ትኽእሎ ምግባር እዩ፣ እቲ ኣብ ደቀይ ዝረኣኽዎ እወታዊ ውጽኢት ኣብ ካልኦት ክርእዮ ኸኣ እብህግ።” ኣብዚ ቀዳማይ መፈተኒ ስራሕ፡ ብውሑድ ቁጽሪ ንውሑዳት ኣንበብቲ ከም ዝበጽሕ እዩ እቲ ዕላማ፡ ካብኡ ድማ እቲ ግብረመልሲ ተራእዩ ከመይ ከም ዝኸውን ይርአ” ኢላ። ምስኡ ተተሓሒዙ ንዝርጋሐኡ ኣብ ዝምልከት ዛዕባ እንክትገልጽ ራሄል፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣስመራ ኣብ ኣውገት መሸጣ መጽሓፍትን ኣርት ጋለርን ጥራይ ተዘርጊሑ ከም ዘሎ ትዛረብ። ካብ ወለዲ ተረኺቡ ዘሎ ግብረመልሲ ኣዝዩ ጽቡቕን ኣዝዩ ዘተባብዕን ምዃኑ፣ በቲ ዝወሃባ ዘሎ ግብረመልሲ ድማ ዕግብቲ ምዃና ትገልጽ። “ጽቡቕ ውጽኢት ረኺብናሉ፡ ምስ ደቅና ከነንብብ ጀሚርና፡ ሓድሽ ተመኵሮ እዩ ንዓና፡ ምስ ደቅና ጽቡቕ ምትእስሳር ፈጢሩልና . . . ዝብል ጽቡቕ ግብረመልሲ ረኺበሉ ኣለኹ፡” ብምባል ግብረመልሲ ኣንባብቲ ወይ ተጠቀምቲ ኣገዳሲ ምዃኑ እምነታ ትገልጽ። “ከም ዝርድኣኒ ኣብ ምርጋሑ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ድዩ ወይ ዝዀነ ኣካል ሓላፍነት ክወስድ እንተዝኽእል ጽቡቕ ምዀነ፡” ብምባል ከኣ ነቲ ኣብ ምዝርጋሑ ዘሎ ድሩትነት ኣመልኪታ ትዛረብ። እቲ ዕላማ ገዚፍ እዩ፡ ብመሰረቱ ነቲ ባህሊ ንባብ ንምቕያር፡ ደቅና ኸኣ ኣብ ፈላሚ ደረጃ ትምህርቲ እንከለው ሓጋዚ ጽሑፋት ንባብ ክረኽቡ ምእንቲ እዩ። ነቲ ተተሊሙ ዘሎ ዕላማ ክሃርም ግን ሓገዝቲ ወይ መሻርኽቲ ኣካላት ከም ዘድልይዋ ኣይሓብአትን። “እምነተይ፡ ዝዀነ ሰብ በቲ ዝኽእሎ ዓቕሚ ክገብር ኣለዎ እየ ዝብል፣ መደበይ ኣብ ርእሲ’ዚ ሰለስተ ምድባት ክውስኽ እዩ። ብኸምኡ ኸኣ ክቕጽል እዩ ‘ቲ ስራሕ ደው ኣይብል እዩ።” እዚ መጽሓፍቲ ክሳብ ሕጂ ብውሱን መጠን እዩ ተሓቲሙ ዘሎ፣ “ግን ጐድኒ ጐድኒ ‘ክሕግዝ እየ ወይ ብኸምዚ መገዲ ኣሎ’ ዝብል፡ እንተ ተረኺቡ ብሕጂ ዝርአ እዩ፡” ድሕሪ ምባል፡ ካልኦት በዚ ጉዳይ ዝግደሱ እንተ ተረኺቦም፡ ኣብ ባህሊ ንባብ መቐይሮ ክትፈጥር፡ እቲ ስራሕን ዕላማን ናይ ሓባር ክኸውን፡ ሓሳብ ዘለዎም እንተ ተረኺቦም ሓቢራ ክትሰርሕ ድልውቲ ምዃና ኸኣ ተረጋግጽ - ራሄል ኣስገዶም። ራሄል ኣስገዶም ኣብ መወዳእታ፡ “ኵሉ ግዜ ዝላበዋ፡ ንደቅና ነንብበሎም፡ ኣንበብቲ ንግበሮም፣ ምስኣቶም እሂን ምሂን ንበል ፡ ንፍለጦም እየ ዝብል። ንደቅና ብመገዲ መጽሓፍ ክንፈልጦም ከኣ ጥዑም እዩ” ትብል። ብመሰረት ኣበሃህላኣ፡ ወለዲ ንደቈም ዛንታታት ኣብ ዘንብቡሎም እዋን፡ ዝንባለኦም ክፈልጡ፡ እንታይ ከም ዝሓስቡ፡ ክበጽሕዎ ዝደልዩ ደረጃን ኣተሓሳስባኦምን ክፈልጡ ዝያዳ ምስ ውሉዳቶም ምትእስሳር ክፈጥሩ ዕድል ይረኽቡ። “ስለዚ ወለዲ፡ እቲ መፍትሕ ኣብ ኢድና እዩ ዘሎ። ደቅና እቶም ንደልዮም ዓይነት ሰባት ኰይኖም ክዓብዩልና ንቕድም ንሕና ትራና ክንጻወት ይግባእ፣ እቲ መሰረት ንሃንጸሎም ንሕና ስለዝዀንና ሃየ ነንብበሎም፡ ኢለ እላቦ፡” ትብል።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ce4x4q70p3yo"} {"headline":"ዊል ስሚዝ፡ ካብ ስነስርዓት ኦስካር ክወጽእ ተነጊርዎ ነይሩ","content":"ዊል ስሚዝ፡ ንክሪስ ሮክ ብጽፍዒት ምስ ሃረሞ ካብቲ ኦስካር ክወጽእ ተጊግርዎ ግን ከም ዝኣበየ እቲ ኣካዳሚ ገሊጹ። እቲ ብድሕሪ ኦስካር ዘሎ ኣካል፡ ኣብ ልዕሊ ዊል ስሚዝ ስነ-ምግባር ጉድለት መርመራ ጀሚሩ ከምዘሎ'ውን ሓቢሩ። ኦስካር ኣካደሚ፡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ \"ዊል ስሚዝ ካብቲ ስነስርዓት ኦስካር ክወጽእ ተነጊርዎ ነሩ። እንተኾነ፡ ኣብዩ። ርግጽ ንሕና'ውን እንተኾነ፡ እቲ ጉዳይ ብኻልእ መልክዑ ክንኣልዮ ነይሩና\"ይብል። ስሚዝ ይቕሬታ ቅድሚ ምሕታቱ እቲ ትካል ኦስካር \"ተግባር ስሚዝ ይኹንኖ\" ክብል መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ። \"ኣብ ዙርያ እቲ ዘጋጠመ ክስተት መርመራ ጀሚርና ኣለና። እዚ መካየዲ ደንብና፣ መትከላት ስነ ምግባርናን ሕጊ ካሊፎርኒያን መሰረት ገይርና ተወሳኺ ስጉምቲ ንምውሳድ ክንምርምሮ ኢና\" ኢሉ። እቲ ዝውሰድ ስጉምቲ፡ ኣብ ዝመጽእ 18 ሚያዝያ ኣኼባ እቲ ቦርድ ከፍልጥ እዩ። እቲ ውሳነ፡ \"ምእጋድ፣ ምብራር ወይ ድማ ካልእ ዓይነት ማዕቀብ ምንባር ክኸውን ይኽእል እዩ\" ኢሉ። ንሮክ፣ ንሕጹያት ሽልማት፣ ኣጋይሽን ዕዱማትን ድማ ይቕሬታ ሓቲቱ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሮክ ድሕሪ እቲ ተጓንፎ ንፈለማ እዋን፡ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ ኩነታት ኣብ ኣእምርኡ ይመላለሶ ከምዘሎ ተዛሪቡ። ኣብ ቦስተን ኣብ ዝነበሮ ምድላው፡ ብዛዕባ እቲ ተጓንፎ ብዙሕ ክዛረብ ከምዘይደሊ ብምግላጽ፡ \"ቀዳመ ሰንበትኩም ከመይ ነበረ\" ብዝብል ሓውሲ ዋዛ ጀሚርዎ። \"ዛጊድ ብዛዕባ እቲ ዛጋጠመ ይሓስብ ኣለኹ። ስለዚ ብዛዕባኡ ሓደ ግዜ ብሰፊሑ ምዝራበይ ኣይተርፍን\" ኢሉ። \"ትርር ዝበለ ክኸውን እዩ። መዛነዪ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ሕዚ ግን ናብ ካልኦት ዋዛታት ክኣቱ\" ኢሉ። ኮሜዲያን ክሪስ ሮክ ብዛዕባ በዓልቲ ቤት ስሚዝ ጃዳ ፒንኬት ምስ ተዋዘየ ናብ መድረኽ ወጺኡ ንክሪስ ሮክ ብጽፍዒት ከም ዝሃረሞ ይዝከር። ሮክ፡ ብዝተላጸየ ርእሲ ጃዳ እዩ ክዋዘ ፈቲኑ ነይሩ፤ ንሳ ኣልፒሲያ ዝተባህለ ጸጉሪ ርእሲ ዘርግፍ ሕማም ከም ዘለዋ ቅድሚ ዓመታት ተዛሪባ እያ። ሮክ፡ እቲ ብ1997 ዝተሰርሐ ፊልም 'GI Jane' ብምልዓል ክዋዛ ከም ዝፈተነ ይፍለጥ። ኣብቲ ፊልም ዝሰርሐት ዴሚ ሙር ጸጉራ ላጽያ ቀንዲ ተዋሳኢት ኮይና ሰሪሓ። ጃዳ ፒንኬት ግን፡ ሮክ ክዋዘ እንከሎ ብሕርቃን ኣዒንታ ንየማነ ጸጋም ከተዝሮም እንከላ፡ መጀመርታ ይስሕቕን የጣቕዕን ዝነበረ ስሚዝ ሃንደበት ናብቲ መድረኽ ደይቡ። እቲ ኮሜዲያን በቲ ዝተፈጥረ ነገራት ዝተሰናበደ እንተመሰለ'ውን \"እዚ ኣብ ታሪኽ ቴሌቪዥን ዓብዪ ምሸት'ዩ\" ክብል ተዛሪቡ። ዊል ስሚዝ፡ ኣቦ ጀጋኑ ቴኒስ ዝኾና ቬኑስን ሴሬና ዊልያምስን ኮይኑ ብዛተዋስኣሉ ፊልም ኪንግ ሪቻርድ ናይ መጀመርታ ሽልማት ኦስካር ወሲዱ'ሎ። ስሚዝ፡ ብኢንስተግራም ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ \"ብዝኾነ መልክዕ ዝፍጸም ጎንጺ ኣዕናውን መርዛምን'ዩ\" ኢሉ። ስሚዝ ብቐጥታ ንሮክ ብምጥቃስ \"ካብ መስመር\" ወጺአ ነይረ እየ ብምባል ይቕሬታ ሓቲቱ ኣሎ። ነቲ ኣካዳምን ንመላእ ስድራ ዊልያምስን'ውን ይቕሬታ ሓቲቱ። \"ብሰንኪ ባህርያተይ ንኹላትና ዘሐጉሰና ዝነበረ ምሸት ስለ ዘበላሸኹዎ ኣዝየ ይሓዝን\" ኢሉ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60937420"} {"headline":"ኣፍሪቃውያን ስነጥበባውያን ሽልማት ግራሚ ተዓዊቶም","content":"ቤኒናዊት ደራፊት ኣንጌሊ ኪጆን ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዲጄ ብላክ ኮፊን ናይዚ ዓመት ሽልማት ግራሚ ተዓዊቶም። ኪድጆ፡ 'Mother Nature' ዝብል ኣልበማ ናይዚ ዓመት ብሉጽ ኣልበም ዓለም ብዝብል ግራሚ ዝወሰደት ኮይና፡ ሰለስተ ናይጄሪያውያን ስነ ጥበባውያን ተሳቲፎምሉ'ዮም። ጓል 61 ዓመት ኪጆ፡ ነዚ ሽልማት መነሓንሕታ ኮይኖም ንዝተሓረዩ ናይጄሪያውያን ዊዝኪድ፣ ፌሚ ኩቲን ጋናዊ ሮኪ ዳዊንን በሊጻ'ያ ተዓዊታ። እዛ ስነ ጥበባዊት፡ ኣብ 2014፣ 2015ን 2019 እውን ንሽልማት ግራሚ ተዓዊታትሉ ነይራ እያ። ኪጆ ኣብቲ ስነ ስርዓት ሽልማት ኣብ ዘስምዓቶ መደረ፡ ንዓለም ብኸቢድ ማዕበል ክወስዱዋ እዮም ንዝበለቶም ሓደሽቲ ስነ ጥበባውያን ዘለዋ ናእዳ ገሊጻ። ደቡብ ኣፍሪቃዊ ብላክ ኮፊ፡ ብብሉጽ ሳዕስዒት\/ኣልበም ሙዚቃ ኤሌክትሮኒክ ክዕወት እንከሎ፡ 'Subconsciously' ብዝብል ኣልበሙ ሽልማት ግራሚ ወሲዱ። ኮፊ፡ እዚ ናይ መጀመርታኡ ሽልማት ግራሚ ኮይኑ ምስ ንኡሽቶ ወዱ ኦሶና ኮይኑ ተቐቢሉዎ። \"ፈጣሪ ዝሃበኒ ውህብቶ ሙዚቃ ከመስግን ይደሊ፤ በዚ ኣቢለ መንፈስ ሰባት ከሕውን ኣብ ዝሓልፉዎ ጉዕዞ ህይወቶም ሓቢረ ክሓልፍን ብምኽኣለይ የመስግን\" ኢሉ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60971678"} {"headline":"ትግራይ፡ ዓመታዊ ጉዕዞ ማህሌተ-ጉማየ ኣብ ፍራንክፈርት ተኸቢሩ ውዒሉ","content":"ማህሌተ-ጉማየ: ጠገለ ስነ-ፅሑፍን ጉማየን ኣብ ዝደምቀሉ ኣብ እዋን ክረምቲ፡ ኣብ ደቡባዊ ትግራይ ኣብ ማእኸል ራያን ወጀራትን ኣብ ዝርከብ 'ዓውዶውር' ኣብ ዝበሃል ቦታ ዝኽበር፡ ሃገረሰባዊ ጥበባት ትግራይ ዝውሕዘሉ፡ መስትያት ላዛን ባህልን ትግራይ እዩ። ማህሌተ-ጉማየ፡ ማሕበረሰብ ሓዘኑ፣ ሓጎሱ፣ ሕርቃኑ ኮታስ ነቲ ዘለዎ ኣመለኻኽታ ዝገልፀሉ፣ ስምዒቱ ብተመስጦ ዘስቆንቁነሉ መገዲ ፍልስፍና ህይወት እዩ። ማህሌተ-ጉማዬ ኣብ ዓውዶውር እንትኽበር፡ ኩሉ ሰብ ዓለባ ዓዲ ቦፌ'ዩ ዝኽደን፣ መናእሰይ ብኣከዳድንኦም፣ ደቂኣንስትዮ'ውን ብውቁባት ባህላዊ ኣልባሳትን ቁኖ ትግራይን ማዕሪገን፡ ነቲ ክብረ-በዓል ድምቀት ይፈጥራሉ። ኣብ ማህሌተ-ጉማየ ካብ ወነንቲ እዚ ባህሊ ዝኾኑ ተጋሩ ወፃኢ ካልኦት ክፋላት ማሕበረሰብ'ውን ክሳተፉ ከምዝኽእሉ ይዝረብ። ናብ ደምበ ማህሌተ-ጉማየ ዝወረደ ሰብ ምውዓሉ ምሕዳሩ ኣብ ዓውዶውር'ዩ። ዓውዶዉር ኣብ ትግራይ ኣብ ማእኸል ራያን ዋጅራትን ዝርከብ ስም ቦታ'ዩ። ዶውር ማለት ከፍቲ ዝሓድራሉ ወይ ደምበ እንትኾን፡ ኣብ በረኻ ወይ ኣብ ማእኸል ዱር ካብ 200 ክሳብ 300 ከፍቲ ዝሓድራሉ ደምበ እንድሕር ኮይኑ ዶውር ይበሃል። ማህሌተ-ጉማየ እንትቐውም፡ ኩሉ ኣብ ሓደ ከቢቡ ሓዊ ኣጊዱ፣ መበቆላዊ መሳርሕታት ሙዚቃ ከም ዕንድርፋፃ፣ ጭራዋጣን ፋዱማን እናተወቕዐ፣ ስነ-ፅሑፍ፣ ግጥሚ፣ ልቦወለድ፣ ሓፀርቲ ፅሑፋት እናተነበበ፣ ዝንታዊ ጓስነት እናተዘንተወን ጉማየ እናተብሃለን ጥበብ ክውሕዝ ይሓድር። ኣብ ማህሌተ-ጉማየ፡ ጉማየ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንምግብነት ዝቐርብ መኣዲ'ውን ኣብኡ ሻቡ ንሻቡ'ዩ ዝዳሎ፤ ዓውሶ ይሕቆን፣ ጠስሚ ይወፅእ፣ ቡርክታ ይቡርከት ይብላዕ፡ ይስተ- ይበሃል። ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህር ስነ-ልሳን ዝነበረ፣ መስራትን መተሓባበርን ማእኸል ምርምር ቅዱስ ያሬድ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ጀርመን ዩኒቨርሲቲ ሃምቡርግ ብዛዕባ ብራናታት ትግራይ 'ፖስት ዶክትራል' ፕሮጀክት ዝሰርሕ ዘሎ ዶክተር ሓጎስ ኣብርሃ ኣባይ፡ እቲ ንዘበናት ኣብ ትግራይ ዝዝየም ጉማየ፡ ማሕበረሰባዊ ክብርታቱ ሓልዩ፡ ዓመታዊ ጉዕዞ (ኣድቬንቸር ቱር) ኮይኑ ካብ ውሉድ ወለዶ ክሰግር፡ ካብ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ በብዓመቱ ኣብ ዓውዶውር ማህሌተ ጉማየ ክኽበር ተበግሶ ከም ዝወሰደ ይዛረብ። ዶክተር ሓጎስ ኣብርሃ፡ ኣቐድም ኣቢሉ'ውን፡ ኣብ 2011 ዓ.ም ብላዛ ራያን ዋጅራትን 'ማህሌተ-ጉማየ' ዝብል መድብል ግጥምታት ፅሒፉ'ዩ። እዚ ካብ ህዝቢ ዝቕዳሕ፡ ነፀብራቕ ባህልን ላዛን ትግራይ ዝኾነ ጉማየ፡ ማህሌት ንክቕወመሉ ምስ ተበገሰ ድማ፡ ማህሌተ- ጉማየ ዓመታዊ ጉዕዞ ኮይኑ ብተኸታታሊ ኣብ ትግራይ ማእኸል ራያን ዋጅራትን ኣብ ዝርከብ 'ዓውዶውር' ኣብ ዝበሃል ቦታ ድማ ምኽባር ከምዝተጀመረ ይገልጽ። \"ኣብ ራያ፣ ዋጅራትን እንደርታን እዩ ጉማየ ዝበሃል። ኣብ ካልኦት ከባብታ ትግራይ'ውን ማሰን ኣውሎን ይፍለጥ። ስለዚ ብዝተፈላለየ መገዲ ብዝተፈላለየ መልክዑ ጉማየ፣ ጉማየ ዝመስሉ ሃገረሰባዊ ክዉን ጥበባት፣ ስነ-ቃላት ኣብ መላእ ትግራይ ወይ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ዝብሎም ስለዝኾነ፡ ሰረቱ ማህሌተ-ጉማየ ዝተጀመረሉ ዓውዶውር ይኹን'ምበር፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ክኽበር ብምዕላም'ዩ ተጀሚሩ\" ይብል ዶክተር ሓጎስ ኣብርሃ። ማህሌተ-ጉማየ፡ ኣብ ዓመት ሓደ ግዘ ኣብ ዓውዶዉር ማእኸል ራያን ወጀራትን ምስ ተኸበረ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ኣብ ሰለስተ ወይ ኣብ ሽድሽተ ወርሒ ኣብ ካልኦት ከባብታት ትግራይ ንክኽበር ዓሊሙ ዝተበገሰ፡ 'ዓመታዊ ካልቹራል ኢንሸቲቭ' ከምዝኾነ ይገልፅ። ናብ 270 ገዳማት ትግራይ ብእግሩ ዝተጓዓዘ ዶክተር ሓጎስ፡ እዚ ትግራይ ኣፀቢቑ ክፈልጣ መገዲ ኮይንዎ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እቲ ንሱ ቆልዓ ኮይኑ ዝዓበየሉ ሂወት መጓሰን ጉማየን፡ ካልኦት'ውን ንድሕሪት ምልስ ኢሎም ብእግሮም ተጓዒዞም ክርእይዎ ኣለዎም ኢሉ ሓሲቡ። ልዕሊ ኩሉ ድማ እቶም ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ባህልታት ትግራይ ምዕቃብን ወናኒ ከምዘለዎ ምርኣይን ዝብል ድማ፡ ዝያዳ ኩሉ ትኩረት ገይሩ፡ ዓመታዊ 'ጉዕዞ ዓጋም ጠሓስ (ኣድቬንቸር ቱር) ማህሌተ ጉማየ' ከካይድ ዝደረኾ ሓሳብ'ዩ። \"ባህልታትና መብዛሕትኦም ኣብ ሓደጋ እዮም እኔሀዉ፤ እናጠፍኡ ከይኸዱ ክዕቀቡ ስለዘለዎም፤ ካብ ምዕቃብ ንላዕሊ ኸኣ ክነንበረሎም ስለዘለና፤ መንነትና ንሕና ተጋሩ ኢና ክንብል ከለና፡ ባህልና፣ ቋንቋናን ላዛታትናን ኩሎም ተዓቂቦም እንድሕር ፀኒሖምና'ዩ መግለፂና ከግሉሁልና ዝኽእሉ እሞ፡ ብኡ ምኽንያት አዕ ክጅመር እኔሀዎ ኢለ\" ዝብል እቲ ምሁር፡ ሓሳቡ ተግባራዊ ንክኾን ሰባት ሓጊዞሞ፡ 25 ነሓሰ 2011 ዓ.ም፡ ዓመታዊ ጉዕዞ ማህሌተ-ጉማየ ኣብ ማእኸል ራያን ወጀራትን ኣብ ዓውዶውር ከምዝፈለሞ ኣውጊዑና። ጉማየ- 'ዘየድርዕ ዓርኪ' ንጉማየ፡ ናይ ውሽጠይ ዝርደአኒ መሓዛ ወይ ድማ መቕርብ የድልየሊ እዩ ኢልካ ዘይትድረዐሉ \"ዘየጉብዕ ዘመድ ወይ ዓርኪ\" ኢሉ ዝገልፆ ዶክተር ሓጎስ፡ ምስ ውሽጥኻ ብጣዕሚ ትምሰጠሉ (meditative effect) ዘለዎ እዩ ይብል። ፆታን ዕድመን ከይፈለየ፡ ሓደ ማሕበረሰብ ካብ ካልእ ዓይነት ቅዲ ሙዚቃ ብዝተፈለየ፡ ኣመለኻኽትኡ፣ ናብርኡ፣ ስምዒቱ ዝገልፀሉ፣ ካብኡ ሓሊፉ'ውን ብዛዕባ ዘመን ዘንፀባርቐሉ ነዊሕ ስልጠት ዘለዎ ደምበ ኪነ-ጥበብ ምዃኑ ይገልጽ። ጉማየ፡ ፍቕሪ፣ ምውያን፣ ዘበን ኮታስ ኩለመዳያዊ መስተጋብር ማሕበረሰብ ከከም ግዘኡ ዝግለፀሉ'ዩ። ማህሌተ-ጉማየ ዝቕወመሉ እዋን ክረምቲ ካብ ካልኦት እዋናት ብዝተፈለየ፡ ሰማይን ምድርን ፍቕሪ'ዩ ዝሰብኽ። ብፍላይ መናእሰይ ራያ፣ ወጀራትን እንደርታን ስምዒቶም ዘንፍስሉ'ዩ፡ ጉማየ!.... ብብዝሒ ወዲተባዕታይ ንጓልኣንስተይቲ ጉማየ ዝብለላ እንትኾን፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ድማ 'ውሉለይ' ትብል። ዶክተር ሓጎስ: \"ኩሉ ትግርኛ ፍቕሪ ገላፂ'ዩ፤ ጉማየ ኸዓ ፍልይ ዝበለ መግለፂ ፍቕሪ ትግራዋይ'ዩ\"ይብል፡ ኣብቲ ከባቢ ንሱ ተወሊዱ ዝዓበየሉ፡ ጉማየ ዘይብል ሰብ ከምዘየለ ብምሕባር። ብናይ ሓንቲ ፅብቕቲ ፍቕሪ ዝተትሓዘ መንእሰይ፡ እታ ንልቡ ዘሸፈተት ጎርዞ ዘመዱ ኮይና ትርከብ እሞ፡ ንማሕበረሰባውን ሃይማኖታውን ሕግታት ከይተሰከፈ፡ ፍቕሩ ልዕሊ ኩሉ ከምዝኾነ ኣሚኑ፡ ከምዚ ዝስዕብ ጉማየ ይብለላ። \" ጉማየ! ጉማየ! ጉማየ! ኣነስ ክፀዊ ደኣም ተነፊሐ ከይሞትየ ቀተለኒ ፍቕርይ ሕውነትየ ስንኺ'ለ ዓፍራይ ወረቐትየ ኣነስ ክፀዊ ደኣ ፍቕሪ ሕውነትየ….. \" ብምባል፡ ዋላ ናይ ስጋ ዘመዱ ትኹን'ምበር ፍቕራ ልዕሊ ዓቕሙ ስለዝኾኖ በዚ ጉማየ ሓፍቱን ፍቕሩን ምዃና ብጉማየ ይገልፀላ። ካልእ ትምህርቲ ንዝቖፀረት ጎርዞ ዘፍቀረ መንእሰይ ድማ ናፍቆት ምስ ሓየሎ፡ \"ጉማየ! ጉማየ! ጉማየ! ኣቲ ቆልዓ ብወረቐት ስደድለይ መልሱ ከለ ሰሓቕ ከለ ክምስምሱ ከለ ቁጭይ፡ ከለ ቅንጥስጥሱ…….\" እናበለ፡ እቲ ዝፈትወላ መግለፅታታ፡ እቲ ሰሓቕን ቅንጥስጥስን፡ ብብርዒ ከቲባ ብደብዳበ ክትሰደሉ ይምሕፀና። እቲ ጉማየ ዝበሃለሉ እዋን፡ ግዘ ምውያንን ምግዳልን እንተኾይኑ ዝስዕብ ጉማየ ይበሃል። \" ጉማየ! ጉማየ! ጉማየ! መገዲ መቐለ ዓዲጉምየ ክላሽንካ ሓጫር እያ ሰጉደምየ ሓደርካ ተኩሳ ከይትቕደምየ\" \"ዝናብ መፀ ደበና ደበነ ከይወስዱኺ መሲሎም ወያነ….\" ብምባል: ጉማየ እናበሉ ነቲ እዋን ይገልፅዎ። \"ጉማየን ወያነን ኣይነፃፀሉን፤ ቀዳማይ ወያነ ዝመስረቱ ህዝቢ ብጉማየ ዝባፅሑ እዮም'ሞ፡ ምውያን፣ ኒሕን ሓቦን ምስ ጉማየ ብዙሕ ዝተኣሳሰረ ነገር ኣለዎ\" ይብል፡ ምሁር ስነ-ልሳን ዶክተር ሓጎስ ኣብርሃ ኣባይ። ጉማየ ካብ ሰባትን ፍልስፍና ህይወትን ሓሊፉ፡ ንእንስሳት፣ ግኡዝ ነገራት ንሰማይን መሬትን'ውን ይበሃል እዩ ይብል ዶክተር ሓጎስ። ንኣብነት፡ ሓደ ኣፍቃሪ'ዩ፡ ኣብ ዓዘቦ ትነብር ንዝነበረት ኣበሩ ገብረመስቀል ትበሃል ብጣዕሚ የፍቅራ እሞ፡ ከሞግሳ፣ ኩሉ ንብረቱ ክህባ ደለየ። ኩሉ ነገር 'ይግበአኪ እዩ' ንምባል ድማ ብዝስዕብ ጉማየ በለላ። \" ጉማየ! ጉማየ! ጉማየ! ዳርጋጋላ ዓድኺ እግሪ ጎሾየ ጭራ'ዶ ክመፅእ ዕያም ደርሆ እየ ለይቲ ዶ ክመፅእ ወጋግሖየ ምድሪ ፈረቓኺ ሰማይ ሲሶየ……..\" ብምባል፡ መሬትን ሰማይን ናህቱ እንተዝኸውን፡ እታ ሓንቲ ንሱ ዘፍቀራ ክንዲ ሙሉእ ህዝቢ ዓለም ርእይዋ፣ እታ መሬት ንኽልተ ብምኽፋል ድማ ፍርቂ ንህዝቢ ዓለም፡ እቲ ፍርቂ መሬትን ሲሶ ሰማይን ድማ ንተፈቃሪት ኣበሩ ገብረመስቀል ከምዝግበኣ ይገልፀላ። ጉማየ ወዲ ተባዕታይ ንጓልኣንስተይቲ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እታ ጓልኣንስተይቲ'ውን ንወዲ 'ውሉሉይ' ትደርፈሉ፡ ጉማየ እውን ከምትብል እቲ ተመራማሪ ይገልፅ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2013 ዓ.ም ክኽበር ዝነበረ ሳልሳይ ዙር ዓመታዊ ጉዕዞ ዓጋም ጥሓስ ማህሌተ-ጉማየ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ኣይተኸበረን። ትማሊ ቀዳም ድማ፡ ካብ ትግራይ ባሕሪ ተሳጊሩ ኣብ ጀርመን ከተማ ፍራንክፈርት ንፈለማ እዋን ማህሌተ-ጉማየ ተኸቢሩ ውዒሉ። ከምቲ ማህሌተ-ጉማየ ኣብ ዓውዶውር ኣብ ራያን ወጀራትን ዝተብሃለ፡ 'ዓውዶውር ኣብ ፍራንክፈርት! ማህሌተ-ጉማየ ኣብ ፍራንክፈርት' ብዝብል ተኸቢሩ። ኣብዚ ንፈለማ እዋን ካብ ትግራይ ባሕሪ ተሳጊሩ ኣብ ፍራንክፈርት ዝተኸበረ ፈላማይ ሳልሳይ ዓመታዊ ጉባኤ ማህሌተ-ጉማየ ድማ፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣውሮጳ፡ ካብ ዩክሬን፣ ስዊድን፣ ፈረንሳይን ቤልጅየምን ዝተፈላለዩ ክፋላት ጀርመንን ዝመፁ ተወለድቲ ከምዝተሳተፍሉ ኣዋሃድቲ እቲ መደብ ይዛረቡ። ኣዋሃሃዲ ማህሌተ-ጉማየ ዶክተር ሓጎስ ኣብርሃ፡ ዋላ'ኳ እቶም ዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ ብሰንኪ ኵናት ትግራይ ንትግራይን ተጋሩን ከቢድ እንተነበሩ፡ ምኽባር ማህሌተ-ጉማየ ኣብ ፍራንክፈርት ሰለስተ ዓበይተ ዕላማታት ከምዘለዎ'ዩ ንቢቢሲ ዝገልፅ። \"ጉማየይ ወያነይ፡ ጉማየን ስነ ልቦናን ህዝቢ ትግራይን፡ ንዘጋጥሞም ፀገማት ርእስኻ ካብ ምድናን፡ ብምቅላስ'ዩ ዝከላኸሎም። ስለዚ ክንዲ ዝደለየ ፀገም፣ በደል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ይውረድ ስራሕና ክንሓድግ ከምዘይንኽእል፣ ሞራልና ክስበር ከምዘይብሉ መልእኽቲ ንምሕላፍ እዩ። ካልኣይ ባዕሉ ኣብቲ ጉማየ ብፍላይ ድማ ጉማየ ራያ፡ ባህሊ ራያ መህረፋይ ካብ ምዃኑ ዝተልዓለ ክመናጠሉ ዝደልዩ ብዙሓት'ዮም እሞ፡ እቲ ባህሊ ክንደየናይ ባህሊ ትግራዋይ ምዃኑ፣ ኣብ ሕቶ ውሽጢ'ውን ክኣቱ ከምዘይኽእል ንምርኣይ ዝዓለመ'ዩ\" ይብል። ሳልሳይ ብዙሕ ትግራዋይ በዚ ሕዚ ዘሎ መከራንን ሰቖቓን ኣብ ጭንቀት ኣብ ብዙሕ ሓሳብ እዩ ዘሎ እሞ፡ መፅዩ ዝጋነየሉ፣ እሂን ምሂን ዝብለሉ፣ ውሽጡ ከም ውሽጡ እቲ ዝነበረ ዓመታዊ ጉባኤ ክቋረፅ ከምዘይብሉ መልእኽቲ ዘዕሃለፈሉ ከምዝኾነ'ውን ይዛረብ። ኣብ ማህሌተ-ጉማየ ዝሓድር ሰብ ካልእ 'ኣድቨንቸር' ምርኣይ ኣየድልዮን'ዩ ዝብል ዶክተር ሓጎስ፡ ትግራይ ክንብል ከለና ትግራይ 'ኣብስትራክት' ኣይኮነትን፥ ኣብ ሕድሕድ ከባቢ ዘሎ ትግራዋይነት ክንሕብሕቦ፣ ክንጠዓዕሞን ክንዕቅቦን ኣለና ዝብል ቅዋም ኣለዎ። ንቐፃሊ፡ ማህሌተ ጉማየ ኣብ ዓለምለኸ መድረኻት ንምልላይ፣ ካብ ዝተፈላለዩ ዓለማት መፅዮም ኣብ ትግራይ ማህሌተ-ጉማየ ከኽብሩ፣ ካብቶም ዘይድህሰሱ ክብረበዓላት ሓደ ኮይኑ ዓለምለኻዊ ኣካዳሚክ ኮንፈረንስ ኮይኑ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዓለም መፅዮም ጉባኤ ዘካይድሉ መድረኽ ንምግባር ከምዝዓለሙ ድማ ይገልፅ። ጉማየ፡ ካብቶም ህዝቢ ትግራይ ዝኾርዐሎም ወያነ ባህሊ ዝፈጠረ ስነ-ቃልን ኪነ ጥበብን ከምዝኾነ ዝገልፅ ዶክተር ሓጎስ፡ \"ኮፍ ኢልና ኣቐሚጥናዮ ደው ኢልና ከይንስእኖ፡ ኩሎም ባህልታት፣ ቋንቋታትን ላዛታትን እንትዓብዩ ትግራይ ስለትዓቢ፡ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዘሎ ባህልን ትውፊትን ህዝቢ ትግራይ ክዕቀብ ኩላትና ክንሰርሕ ኣለና\" ብምባል፡ ሓሳቡ ይዛዝም።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58726373"} {"headline":"መጽሓፍ ምልምማድ፡ ምውጋድ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባን ሳዕቤናቱን","content":"ደራሲ ክፍለዮሃንስ ተወልደብርሃን (ጎርደን) ዝሓለፈ ሰንበት 14 ሕዳር 2021፡ \"ምልምማድ፡ ምውጋድ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባን ሳዕቤናቱን\" ብዝብል ኣርእስቲ ዝጸሓፋ ምስተን ነብስኻ ባዕልኻ ንምሕጋዝ ዝጸሓፉ ናይ ምኽርን ልቦናን መጻሕፍቲ እትምደብ ሓዳስ መጽሓፍ ኣመሪቑ። እቲ ኣብ ለንደን እተኻየደ ገምጋም ዘተን ዘካተተ ናይ ምፍራም መጽሓፍ ስነ ስርዓት: ደራሲ ቅድሚ ሕጂ ካብ ግብራዊ ተመኩሮ ብዙሓት ስድራቤታት ተበጊሱ ምስ ባህልን ልምድን ሕብረተሰብ ኣወሃሂዱ ንዝጸሓፈን \"ምክእኣልን ምምልላእን\" ዝኣርእስተን ክልተ መሃርትን ሓበርትን መጻሕፍቱ ዘንበቡ ሓያሎ ግዱሳት ሰባት ተሳቲፎም። ነታ መጽሓፍ ዝገምገሙ፡ ኣብ ተመኩሮኡ ብዙሕ ዓንቀጻት ዝጸሓፈ ገዲም ምኩር ተጋዳላይ ሰብዓታት ኣሰናዳእን ኣካያድን ስኒትና ዳት ኮም ኣቶ ዮውሃንስ ጸጋይን ደራሲ ሳሙኤል ገብረሂወትን፡ ኣብታ መጽሓፍ ተኻቲቱ ንዘሎ ትሕዝቶ፡ ንጻረን ጽሬትን ቋንቋ፡ ዋሕዝን ምትእስሳር ሓሳባትን፡ ኣወዳድባን ውደናን እቲ መልእኽቲ፡ ርዕመት ምዕራባዊ ተመኩሮ ምስ ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ደራሲ ንዝያዳ ሓበሬታን መርትዖን ዝተወከሶ መጻሕፍትን መላግቦ (ሊንክታት) መርበባት ሓበሬታን ብዝርዝር ተዛሪቦሙሉ። እታ ብሸውዓት ምዕራፋትን ሓያሎ ንኡስ ምዕራፋትን እተነድቀት መጽሓፍ፡ \"ናይ ለወጢ ግዴታን ስግኣትን፤ ስምዒታት ፍርሂ፤ ምምማይን ምውጋድን ሓሶት፤ ቅንእን ሳዕቤናቱን፤ ጠንቅታት ቂምን ሳዕቤናቱን፤ ይቕሬታ ንምግባር እንቃለሰሉ ኣገባብ፤ ሜላ ኣተሓትታ ይቕሬታ፤ ምስትኽኻል ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ፤ ምቁጽጻር ኣሉታዊ ስምዒት ዝብል ኣርእስታት ሓቚፋ ትርከብ። ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ፡ እታ መጽሓፍ ብዛዕባ እቲ ክንቆጻጸሮ ዘይንኽእል፡ ወይ ኣብ ምቁጽጻሩ ንእሽቶ ኣበርክቶ ጥራሕ ክህልወና ዝኽእል፡ ዘይተርፍ ግዙፍ ዓለማዊ ለውጢ ክላይመት፡ ግሎባላይዜሺን ዝፈጠሮ ቴክኖሎጂካውን ዲጂታላውን ምዕባለ፡ ኣብ ከባቢናን ህይወትና ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ገዛእ ነብስና ንዝፍጠር ለውጢ እውን ብኸመይ ክግጠም ከምዝግባእ መሃሪ ሓሳባት ሰፊሩ'ሎ። ስምዒታት ፍርሒ ዝብል ኣርእስቲ ዘልዓለት ካልኣይ ምዕራፍ እታ መጽሓፍ ከኣ፡ እንታይነት ፍርሒን ኣገዳስነቱን? ጠቕምን ጉድኣትን ፍርሒ፤ ብሃይማኖታውን ባህላውን ቀይድታት ዝመጽእ ፍርሒ ብኸመይ ንፍርሒ ብኸመይ ክግጠም? ጸሓፊ፡ ኣብ ቁልዕነቱ ንዝዝክረን ኣደይ ስላስ ዝተባህላ ከንሻቢት\/ገራዚት፡ መሕረሲት፡ ገርናቢት፡ ኮላሊት ከምኡ እውን ከላኢት ዓንቀር ጓል ዓዶም ኣደ፡ ምስ መዛንኡ \"ቆራጺት መትሎ\" እናበሉ፡ ብእምኒ \"ሁር\" ይብሉወንን ይፈርሑወን ምንባሮም ዳሕራይ ግን ሓደ ለባም ወዲ ዓዲ ኣቦ፡ ነቶም ቖልዑ ኣኪቦም ድሕሪ ምምዓዶም ከምዝተቐየረ ብምዝካር እዩ መቕድም መጽሓፉ ዝፍልም። ቖልዑ እታ ዓዲ ስለምንታይ ነተን ኣደ ይጸልእወንን ይፈርሕወንን ነይሮም ዳሕራይ'ከ ስለምንታይ ክፈትውወንን ከኽብሩወንን ኪኢሎም ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ ገጻት ኣቐሚጡዎ ኣሎ። እታ መጽሓፍ ቅድሚ ምሕታማ፡ ሰለስተ ሰባት፡ ዶር ኣማንኤል ምሕረተኣብ: ዶር ሳራ ዑቕባይ፡ ከምኡ እውን መጋቢ ዑቕባስላሰ ሃይለ ኣንቢቦም ኣብ ኣብ ገበራ ርእይተኦም ኣስፊሮም ኣለው። ዶር ኣማንኤል \"…እዛ ምስ ሕልናኻ ተዛቲኻ ሓላፍነት ክትስከም እትድርኸ መጽሓፍ፡ ኵሎም ኣባላት ሕብረተ-ሰብና፡ ነቲ ኣብ መስርሕ ጉዕዞ ህይወት ዘጋጥሞም መሰናኽል፡ ኣተሓሳስበኦም ብምትኽኻልን ስምዒቶም ብምትዕርራይን ከቐርፍዎ ከም ዝኽእሉ ስለ እትምህር፡ ከም ሓባሪ ሽግ ናይ ነብሱ ንከተገልግሎ ክውንና ይግባእ\" ክብል እንከሎ ዶር ሳራ ዑቕባይ ከኣ፦ \"… ክፍለዮሃንስ (ጎርደን) ካብተን ብትምህርቲ ዝሰጎማ ሃገራት እንደልዮ ዝነበርና መወከሲ፡ ምስ ናይ ገዛእ ርእስና ባህልን ስነ-ምግባርን ኣወሃሂዱ ኣቕሪቡልና ኣሎ፡፡ ኣብዚ መጽሓፍ'ዚ ከበድቲ ዝተጠላለፉ ሓሳባት ብሓጺርን ንጹርን መንገዲ ክግለጽ ምኽኣሉ፡ ትግርኛ ሃብታም ቋንቋ ምዃኑ ዘመስከረሉ ኣጋጣሚ ኮይኑ ይስመዓኒ\" ክትብል ርእይቶኣ ኣስፊራ። መጋቢ ዑቝባስላሴ ሃይለ ከኣ \"… እዛ ኣተሓሳስባናን ስምዒትናን ቀሊዓ፡ መገዲ የማን ክንሕዝ እትሕግዘና መጽሓፍ፡ ነቲ ኣብ ውሽጣ ተጠቒሱ ዘሎ መትከላት እንተ ስዒብና፡ ንኹሉቲ ብምኽንያት ድሑር ባህልን ከይብሉንን ዝምንጩ ምሕባእ ወይ ምኽሓድ ኣዕናዊ ስምዒታት ወጊድና፡ መንገዲ ሓርነት ክንጓዓዝ ክንክእል ኢና። ደራሲ ሰፊሕ ናይ ንባብ ዳህሳስ ብምክያድ ነቲ ኣብ ባህልን ስነምግባርን ሕብረተ-ሰብና ዘለዎ ግንዛበ፡ ምስ ስነ-ፍልጠት ኣዋሲቡ ብምቕራቡ አድንቖ\" ክብል ርእይትኡ ኣቐሚጡ። እቶም ኣብታ ዕለት ገምጋም ዘቕረቡ ክልተ ሃየስቲ ከኣ ነታ መጽሓፍ ብዕምቆት ድሕሪ ምንባብ እቶም ኣብ ገበር እታ መጽሓፍ ርእይተኦም ዝሃቡ ምሁራት ምዙን ገምጋም ከምዝሃቡ ተሰማሚዖም ኣብ ቅድሚ ተጋባኢ ምስክርነቶም ሂቦም። እቶም ተጋባእቲ፡ ደራሲ ብትምህርቲ ንዘዋህለሎ ፍልጠትን ካብ ዝተፈላለየ መጻሕፍቲ ዝኣከቦ ሓሳባትን ምስ ሓሳባቱ ኣጋጭዩ ስሒሉን ጎጒሉን ምስ ያታን ልምድን ሕብረተሰብ ብምስናይ፡ ቀሊል ግብራዊ ተኣማኒ መረዳእታታት ብምቕራብ ኣብ ሒደት ዓመታት ሰለስተ መሃርን ሓባርን መጻሕፍቲ ከበርክት ብምኽኣሉ ዘለዎም ኣድናቖትን ገሊጾም። ኣብ ርእሲኡ ደራሲ፡ ነቲ ዝጸሓፎ ናይ ምኽሪ መጻሕፍቲ ብመገዲ ዙም ክሳብ ሽዱሽተ ወርሒ ዝኸይድ ኣስተምህሮ ስለዝህበሉ፡ ኣብቲ ትምህርቲ ካብ ዝሳተፉ ዓበይትን ናእሽቱን ዝተፈላለየ ተመኩሮን ብምቕሳም ንጽሑፋቱ ብጭቡጥ ሓቅታት ስለዘሀብትሞ ነዛ ሓዳስ መጽሓፍ ምልምማድ እውን ናይ ትምህርቲ መደብ ከዳልወላ ምሕጽንታ ኣቕሪቦም። ኣብ መወዳእታ ደራሲ ነቶም ኣብ ምምራቕ መጽሓፉ ተገዲሶም ዝመጽኡ ተጋባእትን ነቶም ሃናጺ ርእይቶታት ዝሃቡ ተሳተፍትን ድሕሪ ምምስጋን መጽሓፍ ናይ ምፍራም ስነ-ስርዓት ተኸናዊኑ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59357796"} {"headline":"ሓደ ሰብኣይ ኣብ ዋና ቤትጽሕፈት ቢቢሲ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ሓወልቲ ጉድኣት ኣብጺሑ","content":"ሓደ ሰብኣይ ኣብ ለንደን ኣብ ዋና ቤትጽሕፈት ቢቢሲ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ሓወልቲ ብመዶሻ ጉድኣት ኣብጺሑ። 'ዘ ቴምፐስት' ኣብ ዘርእስቱ ናይ ድራማዊ ጽሑፍ ዊልያም ሼክስፒር ንዝርከቡ 'ፕሮስፔሮን ኤርየልን' ዝበሃሉ ገጸ ባህርያት ዘርእይ እቲ ሓወልቲ ኤሪክ ግሪል ብዝበሃል ስነጥበባዊ ዝተወቐረ ኮይኑ ካብ 1933 ጀሚሩ እዩ ኣብ ዋና ቤትጽሕፈት ቢቢሲ ተተኺሉ ጸኒሑ። እቲ ነቲ ሓወልቲ ዝወቐረ ስነጥበባዊ ብህይወት እንከሎ ኣብ ዝጸሓፎ መዘክር፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ጥቕዓት ይፍጽም ምንባሩ ብምስፋሩ፡ እቲ ሓወልቲ ክለዓል ዝጠልብ ጎስጓስ ንዓመታት ክካየድ ጸኒሑ እዩ። ትማሊ እቲ ፍጻመ ምስ ኣጋጠመ ፖሊስ ናብቲ ስፍራ ክጽዋዕ እንከሎ፡ እቲ ሰብኣይ ድሕሪ ኣርባዕተ ሰዓታት ክወርድ ከምእተገበረ ተገሊጹ። እቲ ውልቀሰብ ተቓውሞኡ ንምግላጽ ነቲ ሓወልቲ ኣብ ዝሃርመሉ ዝነበረ እዋን፡ \"ንህጻናት ዝዕምጽ\" እናበለ ይጭርሕ ምንባሩ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ መሰኻኽር ዓይኒ ተዛሪቦም። እቲ ሰብኣይ ካብቲ ሓወልቲ ብሓገዝ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ክወርድ ከም ዝኸኣለ፡ ኣፈኛ 'ሜትሮፖሊታን ሙዚየም ኦፍ ኣርት' ሓቢሩ። ኣብ ቀይዲ ቅድሚ ምእታው ከኣ ኩነታት ጥዕንኡ ብሰራሕተኛታት ኣምቡላንስ ከምዝተፈተሸ'ውን ተዛሪቡ። ወነንቲ እቲ ሓወልቲ ንዝበፅሐ ጉድኣት ይምርምሩ ከም ዘለው'ውን ገሊጹ። ኣፈኛ ቢቢሲ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ክዛረብ ፍቓደኛ ኣይኮነን። ኣብ ቀረባ ዓመታት ከም 'ኪውኣኖን' ዝኣመሰሉ ጉጅለታት፡ ኣንጻር እቲ ብ 1940 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዝሞተ ጊል ዝተወቐረ ሓወልቲ ጎስጓስ ከካይዱ ጸኒሖም። ኣብዚ እዋን ኣዘራረብቲ ዝኾኑ ሓወልትታት ክውገዱ ዝጠልብ ተቓውሞታት ብብዝሒ ክስማዕ እንከሎ፡ ኣብ ብሪስቶል ኣብ መበል 17 ክፍለዘበን ኣብ ንግዲ ባራዩ ተሓጋጋዚ ናይ ዝነበረ ኤድዋርድ ኮልስተን ሓወልቲ ብዘይሕጋዊ መገዲ ንምእላይ ዝፈተኑ ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም እዮም። ንሳቶም ኣብ እዋን ምንቅስቓስ 'ብላክ ላይቭስ ማተር' ኣብ 2020 ነቲ ተግባር ከም ዝፈጸምዎ እዮም ዝኽሰሱ። ብዝተፈላለዩ ሕብረተሰባት ከም ጥሩፋውያን ዝርኣዩ ታሪኻዊ ሓወልትታት ኣብዚ እዋን እንታይ ዓይነት ስፍራ ክወሃቦም ይግባእ ዝብል ዛዕባ ኣካታዒ ኮይኑ ይርከብ። ጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ብጻዕዳ ፖሊስ ድሕሪ ምቕታሉ ዝተልዓዓለ ተቓውሞ ኣብ ምዕራባውያን ዓቢይ ስፍራ ንዝወሃቦም ናይ ዳህሰስቲ፣ መራሕቲ ኲናትን ነገስታትን ሓወልታት ክውገዱ ኣለዓዒሉ እዩ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59981379"} {"headline":"ሲነማ ሶማልያ ድሕሪ 30 ዓመታት ንፈለማ እዋን ፊልም ኣርእዩ","content":"ሶማልያ ድሕሪ ሰላሳ ዓመታት ንፈለማ እዋን ኣብ ሲነማ ፊልም ኣርእያ፡፡ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ሓለዋ ጸጥታ ዝተኻየደ ምርኢት ፊልም ኣብታ ንዓመታት ዘይረገአት ሃገር፡ ባህላዊ ተሓድሶ ከምጽእ ተስፋ ተገይሩ ኣሎ፡፡ እቲ ምርኢት ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቓድሾ ኣብ ዝርከብ ‘ናሽናል ትያትር ሶማልያ’ እዩ ትማሊ ረቡዕ ተኻይዱ፡፡ ኣብ እዋን ሓድሕድ ኲናት ሲኒማ ምስ ተቛረጸ፡ ትያትር ሶማልያ ወታሃደራዊ መዋፈሪ ኮይኑ ጸኒሑ፡፡ ተዓደምቲ እቲ ሲኒማ ብሶማላሊያዊ ዳይሬክተር ኢብራሂም ሲኤም ዝተዳለዋ ክልተ ሓጸርቲ ፊልምታት 10 ዶላር ከፊሎም ርእዮም፡፡ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ 1967 ዝተሃነጸ ትያትር ሶማልያ፡ ኣብ 1970ታትን 80ታትን ከም ቀንዲ መዘውር ምዕባለ ባህሊ ሶማልያ ተገይሩ ይውሰድ ነይሩ፡፡ ኣብ መጀመርታ እቲ ሓድሕድ ኲናት ኣብ 1991 ምስ ተዓጸወ ግና መዋፈሪ እቶም ተዋጋእቲ ሓይልታት ኮይኑን ዓንዩን ነይሩ፡፡ ኣብ 2012 ብልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ (ኣሚሶም) ተጸጊኑኳ ዳግም ስራሕ ጀሚሩ እንተነበረ፡ ብዙሕ እንከይጸነሐ ፊልምን ምዝንጋዕን ከም ጉድለት ስነ ምግባር ገይሩ ብዝወስድ እስላማዊ ዕጡቕ ኣልሻባብ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዓንዩ ነይሩ፡፡","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58661884"} {"headline":"ፊልም ጄምስ ቦንድ ኣብ ናይ መጀመርታ መዓልቲ 5 ሚልዮን ፓውንድ ኣታዊ ረኺቡ","content":"ዳኒኤል ክሬግ ዝዋሰአሉ ናይ መወዳእታ ፊልም ጄምስ ቦንድ ‘ኖ ታይም ቱ ዳይ’ ኣብ መጀመርታ መዓልቲ ኣብ ሲነማታት ዩናይትድ ኪንግደምን ኣየርላንድን ካብ 4.5 ክሳብ 5 ሚልዮን ፓውንድ ዝግመት ኣታዊ ከምዝረኸበ ኣፍረይቲ (ፕሮዲዩሰርስ) ገሊጾም። እቲ ፊልም ናብ ተመልከትቲ ዝበጽሓሉ ግዘ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ብተደጋጋሚ ዝተናወሐ ኮይኑ፡ እቲ ፊልም በዝሒ ተመልካቲ ቅድሚ እቲ ለበዳ ናብ ዝነበሮ ክመልሶዶ ይኸውን ብዝብል ሰብሞያ እቲ ዓውዲ ይከታተልዎ ኣለዉ፡፡ እቲ ብሓሙስ ዝነበረ በዝሒ ተመልካቲ ካብቲ ናይ 2015 ፊልም ስፐክትረ ብ 13 ምኢታዊት ዝዛየደ ኮይኑ፡ ካብቲ ኣብ 2012 ዝወጸ ፊልም ስካይፎል ግን ብ 26 ምኢታዊት ዝነከየ ከምዝኾነ ዩኒቨርሳል ፒክቸርስ ገሊጹ፡፡ እቲ ፊልም ኣብ ታሪኽ ሲኒማ ዩኬ ብሓደ ግዘ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ብምኽፋት ክብረ ወሰን ከምዝሓዘ እውን እቲ ኣፍራዪ ሓቢሩ፡፡ ፊልም ‘ኖ ታይም ቱ ዳይ’ ኣብ ዩናይትድ ኪንግደምን ኣየርላንድን ብሓሙስ ኣብ 772 ሲኒማቤታት ከምዝተኸፈተ ዝገለጸ ዩኒቨርሳል፡ ካብቲ ኣብ 2019 ክብረ ወሰን ሒዙ ዝነበረ ‘ስታር ዋርስ፡ ራይዝ ኦፍ ስካይዎከር’ ብ 25 ከምዝበልጽ ኣፍሊጡ፡፡ በዝሒ ተመልከትቲ ሲኒማ ዘጽንዕ ስትሪት ኣናሊቲክስ ድማ እቲ ፊልም ኣብ ፈላማይ ሰሙኑ 92 ምኢታዊት ሽፋን ቦክስ ኦፊስ ዩከይን ኣየርላንድን ከምዝሕዝ ግምት ኣቐሚጡ፡፡ ካብቶም ኣብ ናይ መጀመርታ ኣርባዕተ መኽፈቲ መዓቲታት ነቲ ፊልም ክርእዩ ትኬት ዝገዝኡ 1.6 ሚልዮን ነበርቲ ዩከይን ኣየርላንድን ልዕሊ 30 ሽሕ ብሓሙስ ፍርቂ ለይቲ ነቲ ፊልም ርእዮምዎ፡፡ እቲ ፊልም ተመልከትቲ ናብ ሲኒማታት ክምለሱ ብምግባር ካብ ሻቕሎት ወጺአን ሩፍታ ክረኽባ ከምዝሕግዝ ብዙሓት ሰብሞያ ተስፋ ገይሮም ኣለዉ፡፡ ናይ ዳኒኤል ክሬግ ሓምሻይን ናይ መወዳእታን ፊልም ጄምስ ቦንድ ዝኾነ ኖ ታይም ቱ ዳይ፡ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ኣብ መላእ ዓለም 90 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ክረክብ ትጽቢት ተገይሩሉ ኣሎ፡፡ እቲ ፊልም ኣብ ደቡብ ኮርያ ብረቡዕ ዝተኸፈተ ኮይኑ፡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ድማ ኣብ ዩኬ፣ ኣየርላንድ፣ ብራዚል፣ ጀርመን፣ጥልያንን ኔዘርላንድን ተኸፊቱ፡፡ ኣመሪካውያን ኣፍቀርቲ ሲኒማ ግና ክሳብ 8 ጥቅምቲ ክጽበዩ እዮም፡፡","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58778879"} {"headline":"ኣብ ግራት ሓደ ሓረስታይ ዘደንቕን ታሪኻውን ሮማዊ ቅብኣታት ተረኺቡ","content":"ናይ ሆሜር ኢልያድ ምስልታት ዘርኢ ብርቂ ቅብኣታት ኣብ ትሕቲ መሬት ግራት ሓደ ሓረስታይ ተረኺቡ። እቲ ኣብ ሩትላንድ ዓባይ ብሪጣንያ ብሓደ ሓረስታይ ዝተረኽበ ጥንታዊ ቅብኣ፡ ኣብታ ሃገር ዝተረኽበ ፈላሚ ኣብነታዊ ርኽበት ሞዛይክ'ዩ ተባሂሉ። ብተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ዩኒቨርሲቲ ሌስተር ምርምር ዝግበረሉ ዘሎ እቲ ጥንታዊ ቅብኣ ሞዛይክ ኣብ ብሪጣንያ ዝተረኽበ ኣዝዩ ዘደንቕን ታሪኻውን ጥንታዊ ቅብኣ ምዃኑ ተገሊጹ። እቲ ሞዛይክን ኣብ ከባቢኣ ዝተረኽበ ዘደንቕ ቪላን፡ ብክፍሊ ዲጂታል፡ ባህሊ፡ ሚድያን ስፖርትን ዓባይ ብሪጣንያ ከም ኣገዳሲ ቅርሲ ኰይኑ ተዓቂቡ ኣሎ። እቲ ዘደንቕ ቪላን ጥንታዊ ሞዛይካዊ ቅብኣን፡ ኣብ ዘበነ ሮማውያን ሓደ ሃብታም ውልቀ-ሰብ ይውንኖ ከም ዝነበረ እዩ ዝእመነሉ ። ጂም ኢርቪን ዝተባህለ፡ ወዲ እቲ ወናኒ መሬት ብራያን ናይሎር ኣብቲ 2020 ኣብቲ ግራት እናተንቀሳቐሰ ሓደ ፡ \"ፍልይ ዝበለ ሰራሕ ካይላ\" ምስ ረአየ ኣብ ለይስተርስ ንዘለዉ ጕጅለ ስነ-ጥንቲ ድሕሪ ምሕባሩ እዩ እቲ ዳህሳስ ተኻይዱ። \"ስድራ ቤተይ ነዛ ምድሪ እዚኣ ን50 ወይ 60 ዓመት ሓሪሶምዋ እዮም። \"ዓሚ ብምኽንያት ኮቪድ ኣብ ዕጽዋ እንከለኹ፡ ቅድሚ ሕጂ ርእየዮ ዘይፈልጥ ስርሓት ካይላ ርእየ። ኣብቲ ካይላ ዝረኣኹሉ ቦታ ቁሩብ ምስኳዓትኩ ን1700 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ዝተደብየ ዘደንቕ ነገር ርእየ። ካብቲ ቦታ ኣዝዩ ዘደንቕ ክቡር ነገር ይወጽእ ስለዘሎ ከኣ ኣዝየ እየ ዝድነቕ\" ኢሉ። ኣብ ታሪኻዊ ቅርሲ ዝግደስ ትካል ዓዲ እንግሊዝ ከኣ ዩኒቨርሲቲ ሌስተር ኣብቲ ቦታ ህጹጽ ናይ ኩዕታ ስራሕ ከካይድ ገንዘብ ሰሊዑሉ። እቲ ኣብ ባይታ ናይቲ ከም መመገቢ ወይ ከም መዘናግዒ ዝግመት ኣብቲ ቪላ እተረኽበ ስእላዊ ሞዛይክ ፡ 11m x 7m ኣቢሉ ይኸውን። ሞዛይክ ስእልታት ኣብ መላእ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮማ ኣብ ዝርከብ ብሕታውን ህዝባውን ህንጻታትን መብዛሕትኡ ግዜ ድማ፡ ኣብቲ ጽውጽዋያዊ ዛንታታት ዝሓቘፈ ውሩያት ሰባትን ቦታታትን እዩ ዝርከብ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ሩትላንድ ዝተረኽበ ፍልይ ዝበለ ሞዛይክ እቲ ቅርጽታቱን ምስሉን ነቲ ኣክሊስን ሄክተርን ኣብ ኵናት ትሮጃን ዝተዋግኡሉ መደመደታ እቲ ውግእ ከምዝመስል ይእመነሉ ። ትንታነ፦ ብፊል ማኪ፡ ሪፖርተር ቢቢሲ ኣብ ሚድላንድስ እተጻሕፈ እቲ ዘደንቕ ቪላ ኣበይ ከም እተረኽበ እፈልጥ እየ፡ ግን ብዙሕ ዝርዝር ሓበሬታ ክህብ ኣይተፈቕደንን። ምኽንያቱ ዝኾነ ናይ ገዛእ ርእሱ መርመራ ክገብር ብምምጻእ ነቲ ቦታን ስራሕን ክርብሾን ኣይተደልየን። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ እቲ ናይ ሞዛይክ ምስሊ ተጐልቢቡ'ዩ ። እቲ ንልዕሊ ሓደ ሽሕ ዓመትን ፈረቓን ኣብ ትሕቲ ክልተ ጫማ ዕምቆት ኣብ ትሕቲ መሬት ተሰቲሩ ዝጸንሐ መሬት ብዝግባእ ተዓቂቡ ኣሎ። ምንም ጉድኣት ኣይክበጽሖን እዩ። ጂም ኢርቪን፡ እቲ ስራሕ ምስተኸናወነ ሰባት ናብቲ ቦታ መጺኦም ነቲ ኩነታትን ርኽበትን ክዕዘቡ ተስፋ ኣለዎ። ግን መዓስ ክኸውን ከምዝኽእል ኣይተወሰነን። እቲ ቦታ ኣዝዩ ዓብዪ ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ሒደት ክፋል እቲ እተወሳሰቨ ክፋል እቲ ጥራይ እዩ ተፋሒሩ። ኣብ ቀጻሊ ኩዕታ ብዙሕ ርኽበታት ክርከብ ይከኣል እዩ። እቲ ዝተገብረ ምርምር እቲ ሞዛይክ ኣብ መኽዘን እቲ ዓቢ ቪላ ወይ ኣብቲ ከቢብ ህንጻ፡ ምናልባት እውን ኣብ መሕጸብ ሰብነት ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት። እቲ ዝተወሳሰበ ቪላ ኣብ መንጎ 3ይን 4ይን ክፍለ-ዘመን ድ.ል.ክ. ኣብቲ ክላሲካዊ ስነ-ጽሑፍ ዝማዕበለሉ ግዜ ዝነበረ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሌስተር ኣርኪዮሎጂካል ሰርቪስን ሓላፊ ፕሮጀክት ስነ ቅርስን ዝዀነ ጆን ቶማስ፡ \"እዚ ርኽበት ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ካብ እተረኽበ ጥንታዊ ርኽበታት ሮማዊ ስልጣነ እቲ ኣዝዩ ዘሐጕስ እዩ። እዚ ርኽበት ኣብቲ ግዜ እቲ ብዛዕባ ዝነበሩ ሰባትን ሃብቶምን፡ ብዛዕባ እቲ ምስ ክላሲካዊ ጽሑፋት ዘለዎም ርክብን ዝምልከት ሓድሽ ኣረኣእያ ከም ዝህልወና ዝገብር እዩ\" ኢሉ። ዋና ኣካያዲ ታሪኻዊ ርኽበታት ዓዲ እንግሊዝ ዴንካን ዊልሰን ከኣ ፡ \"ከምዚ ዝኣመሰለ ሳሕቲ ዘጋጥም ስእልን ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ቪላን ምርካብን ምፍታሽን ኣዝዩ ዘደንቕ እዩ ።ከምዚ ዝኣመሰለ ርኽበት፡ ነቲ ሓባራዊ ታሪኽና ግቡእ ዳህሳስን መረዳእታን ክንረኽበሉ ዝሕግዝ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ። ነዚ ቦታ እዚ ክንዕቅቦን ክንመሃረሉን ኣሎና። እቲ እነካይዶ ኵዕታ ብዛዕባ እቶም ቅድሚ 1,500 ዓመት ዝነበሩ ሰባት ብዙሕ ክምህረና ብሃንቀውታ ንጽበ\" ኢሉ። እቲ ርኽበት ኣብ ናይ ውልቂ ሰብ መሬት ስለዝተረኽበ ዛጊት ንህዝቢ ክፉት ኣይኮነን። ንመጻኢ ግን ምስ ቤት ምኽሪ ሩትላንድን ንታሪኽ ዝምልከት ዝከታተል ትካል ዓባይ ብሪጣያን ቀጻሊ ምይይጥ ክግበር እዩ። ኣብ 2022 ከኣ ፡ ኣብቲ ቦታ ተወሳኺ ኩዕታ ክግበር መደብ ኣሎ ። ኣቶ እርቪን፡ ነቲ ቅርሲ ንምዕቃብ እቲ ግራት ከምዘይሕረስ ሓቢሩ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59342806"} {"headline":"ብላይንዲንግ ላይትስ፡ ሙዚቃ ኣቤል ተስፋዬ ኣብ ቢልቦርድ ቁጽሪ ሓደ ናይ ወትሩ ሙዚቃ ኮይና","content":"ብላይንዲንግ ላይትስ' ዝተሰምየ ሙዚቃ ትውልደ ኢትዮጵያዊ ካናዳዊ ሙዚቀኛ ኣቤል ተስፋዬ [ዘ-ዊኬንድ] ኣብ ሰደቓ ሙዚቃ ቢልቦርድ ናይ ወትሩ ቑጽሪ ሓደ ሙዚቃ ንምዃን በቒዓ። ብመሰረት ሓበሬታ ቢልቦርድ፡ እዚ ሙዚቃ ንዝሓለፉ 90 ሰሙናት ካብ ብሉጻት 100 ሙዚቃታት ኮይና ጸኒሓ'ያ። በዚ መሰረት 'ብላይንዲንግ ላይትስ' ኣብ 1960ታት ዝወጽአት 'ዘ ትዊስት' ዝተሰምየት ሙዚቃ ቹቢ ቼከር ሒዛቶ ንዝጸንሐት ሰደቓ ቢልቦርድ ብምብላጽ ቀዳመይቲ ኾይና። ብሉጻት ሙዚቃታት ቢልቦርድ ንዝሓለፉ 63 ዓመታት ሓደ ሙዚቃ ኣብ ሬድዮ ዝፍነወሉን ዝርግሐ መሸጥኡን መሰረት ብምግባር ብሉጻት ደርፍታት ክሓሪ ጸኒሑ። ኣቤል ተስፋዬ ብሕዳር 2019 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ዝዘርግሓ 'ብላይንዲንግ ላይትስ' ክሳብ መስከረም 2021 ኣብ ስፖቲፋይ ልዕሊ 2.5 ቢሊየን ግዜ ተሰሚዓ። እታ ሙዚቃ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብምዝርግሓ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ቲክቶክ ብዝለዓለ ደረጃ ክትድመጽን ኣብ 2021 ድማ ኣብ ዓብዪ ውድድር ስፖርት ኣመሪካ ዝኾነ 'ሱፐር ቦውል' ናይ ዕረፍቲ ሰዓት ብምቕራባ ነዚ ደረጃ ከም ዘብቅኣ ይግለጽ። ቹቢ ቼከርስ ዝሰርሓ ሙዚቃ 'ዘ ትዊስት' ኣብ ቢል ቦርድ ቀዳመይቲ ኮይና ክትጸንሕ እንከላ ምስታ ዘ ዊከንድ ዝሰርሓ ሙዚቃ ተመሳሳሊ ቅዲ ሙዚቃ ዘለዋ ኮይና ሕጂ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትርከብ። ኣቤል፡ ካብ ሙዚቃ ሓሊፉ ኣብ ስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ገንዘብ ብምልጋስ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብዚ ዓመት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣምባሳደር ምግባረ ሰናይ ገይሩ ሸይሙዎ'ዩ። 1. Blinding Lights - ዘ ዊኬንድ 2. The Twist - ቹቢ ቼከር 3. Smooth - ሳንታና ምስ ሮብ ቶማስ 4. Mack the Knife - ቦቢ ዳሪን 5. Uptown Funk! - ማርክ ሮንሰን ምስ ብሩኖ ማርስ 6. How do I Live - ሊኣን ሪመስ 7. Party Rock Anthem - LMFAO ምስ ላውረን ኔመትን ጉንሮክ 8. I Gotta Feeling - ዘ- ብላክ ኣይድ ፒስ 9. Macarena (Bayside Boys Remix) - ሎስ ዴል ሪዮ 10. Shape of You - ኢዲ ሼረን","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59387790"} {"headline":"ፊልም፡ ወታ ዲጂታል ዝተባህለ መስራሒ ‘ቪዝዋል ኢፌክት’ ብ1.6 ቢልዮን ዶላር ተሸይጡ","content":"ብተዓዋቲ ኦስካር ኣላዪ ፍልም ሰር ፔተር ጃክሰን ዝተመሰርተ፡ ኣብ ኒውዝላነድ ዝመደበሩ ወታ ዲጂታል ዝተባህለ መስራሒ 'ቪዥዋል ኢፌክት' ብ1.6 ቢልዮን ዶላር ተሸይጡ። ወታ ዲጂታል፡ ፊልምታት ሎርድ ኦፍ ዘሪንግ ከምኡ'ውን ኣብ ኣቫተር ዝርከበን ፊልምታት 'ቪዝዋል ኢፈክት' ዝተሰርሖ ትካል ኮይኑ ብሓደ ዩኒቲ ቴክኖሎጂ ዝተባህለ ትካል ቪድዮ ጌም እዩ ተዓዲጉ። ሰር ፒተር ጃክሰን ንመሸጣ ወታ ዲጂታል ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ \"ምስ ዩኒቲ ብሓባር ብምዃን ወታ ዲጂታል ኣደነቕቲ ዝኾኑ ፍርያት ከፍሪ እዩ\" ኢሉ። ኣፍራዩ ቪድዩ ጌማት ዩኒቱ ቴክኖሎጂ ከም በዓል Pokémon Go and Call of Duty: Mobile ዝኣመሰሉ ናይ ቪድዮ ጌማት ዘፍረየን ዝውንን ትካል'ዩ። ኣብ 1993 ኣብ ኒውዝላንድ ብሰር ፒተር ጃክሰን ዝተመስረተ ወታ ዲጂታል ንገጸ ባህርያት ኣቫተር ንነይሪቲ፣ ጎሉም -ሎርድ ኦፍ ዘሪንግስ ከምኡ'ውን ሴዛር - ፕላኔት ኦፍ ዘ ኤፕስ ዝሰርሐ ትካል እዩ። ኣብ ሲድኒ ዝመደበሩ ሃያሲ ፊልምታት ጀምስ ፍሌቸር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል \"ነዞም ኣብ ደቡባዊ ንፍቀ ክቢ ንርከብ [ወታ ዲጂታል ኣብ ኒውዝላንድ ስለ ዝርከብ] ወታ ሆሊዉድና እዩ\" ኢሉ። ብምስዓብ \"ሰር ፒተር ጃክሶን ዓቢ ራኢ ዘለዎ ኣፍራዪ ፊልም'ዩ። ፊልም ንኽሰርሕ ነቲ ኣብ ኣእምርኡ ዝቀረጾ ገጸ ባህሪ ኣብ ባይታ ዘተግብር ተክኖሎጂ ኣብ ዘይነበረሉ፡ ክኢላታት ጠርኒፉ ንወታ ዲጂታል መስሪትዎ\" ኢሉ። ብመስረት ኣብ ሞንጎ ትካላት ወታ ዲጂታልን ዩኒቲ ቴክኖሎጅን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ወታ ዲጂታል ኣብ ክልተ እዩ ክምቀል። እቲ ቴክኖሎጂካዊ ኣካሉ ድማ ንዩኒቲ ቴክኖሎጂ ክወሃቦ'ዩ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59230179"} {"headline":"ፍሉጥ ኣመሪካዊ ተዋሳኢ ባልድዊን ኣብ እዋን ቀረጻ ጥይት ተኲሱ ሰብ ቀቲሉ","content":"ፍሉጥ ኣመሪካዊ ተዋሳኢ ፊልም ኣሌክ ባልድዊን ኣብ እዋን ቀረጻ፡ ንቐረጻ ተባሂሉ ዝተዳለወ ብረት ተኲሱ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ቀቲሉ። ኣሌክ ባልድዊን ኣብቲ ናይ ቀረጻ እዋን ስሩዕ ዘይኮነ ንቐረጻ ዘገልግል ብረት ምስ ተኮሰ ነታ ሰበይቲ ክቐትላ እንከሎ ሓደ ሰብ ቖሲሉ። እዚ፡ ሴንቸሪ ዌስተርን ረስት ዝብል ፊልም ኣብ ዝቕረጸሉ እዋን ዘጋጠመ ምዃኑ ፖሊስ ገሊጹ። እታ ግዳይ ናብ ሆስፒታል'ኳ እንተተወስደት በቲ ዝበጽሓ ጉድኣት ክትድሕን ኣይክኣለትን። እቲ ዝቖሰለ ኣላዪ እታ ፊልም ድማ ሕክምናዊ ናብዮት ይግበረሉ ኣሎ። ወሃቢ ቃል ተዋሳኢ ባልድዊን ንማዕኸን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ባዶ ክኸውን ዝግብኦ ዝነበረ ስሩዕ ዘይኮነ ብረት ብጌጋ ምስ ተተኮሰ ዘጋጠመ ሓደጋ እዩ ኢሉ። እታ ህይወታ ዝሓለፈ ጓል 42 ዓመት ሃልይና ሁትቺንስ ዝተባህለት ዳይሬክተር ስእሊ ኮይና ተገልግል ዝነበረት እያ። ኣላዪ እታ ፊልም ድማ ወዲ 48 ዓመት ዮኤል ሱዛ ኮይኑ፡ ባልዲውን ተሓባባሪ ፕሮዲዩሰር እታ ፊልም እዩ። እቲ ሓደጋ ኣብቲ ፍሉጥ ፊልም ዝቕረጸሉ ቦናንዛ ክሪክ ራንች ዝተባህለ ቦታ እዩ ኣጋጢሙ። ፖሊስ ኣብቲ ጉዳይ መርመራ'ኳ እንተጀመረ ክሳብ ሕጂ ግን ክሲ ኣይተመስረተን። ሳንታ ፌ ኒው ሜክሲካን ዝተባህለት ጋዜጣ ወዲ 68 ዓመት ባልድዊን ብሓሙስ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ መደብር ፖሊስ እናበኸየ ከም ዝተራእየ ጸብጺባ። እታ መዋቲት ካብ ዩክሬይን ከም ዝመጽአት ዝሓበረት እታ ጋዜጣ፡ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሶቭየት ከም ዝዓበየትን ኣብ ኣመሪካ ጋዜጠኝነትን ፊልምን ከም ዘጽንዐት ጠቒሳ። ብ2019 ድማ መጽሄት ሲነማቶግራፈር ኣመሪካ 'ተስፋ ዘለዋ' በዓልቲ ሞያ ክብል ሓሪዩዋ ነይሩ። ኣብቲ ብግብጻዊ ኣላዪ ኣዳም ሞርቲመር ኣብ 2020 ዝፈረየ ፊልም 'Archenemy' ኣላዪት ስእሊ'ያ ነይራ። \"ብሞት ሃሊይና ሓዚነ'የ፤ ዳግም ከምዚ ዓይነት ክስተት ከይፍጠር ክኣ ስግኣት ሓዲሩኒ ኣሎ\" ክብል ብትዊተር ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ። ዓለምለኸ ሲኒማቶግራፈር ጊልድ ሞት እታ ክኢላ \"ዘሕዝንን ክፉእ ክሳራን\" ክብል ገሊጹዎ። ኣመሪካዊ ተዋሳኢ ባልድዊን፡ ካብ 1980ታት ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ፊልምታትን ናይ ቴሌቪዥን ድራማታትን ክዋሳእ ዝጸንሐን ዝተፈላለዩ ሽልማታት ዝወሰደን እዩ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59006079"} {"headline":"“ንመሳርሕተይን ኣዕሩኽተይን ዝነበሩ ብጾተይ’የ ዝናፍቕ” ኤርትራዊት ገጣሚት ሳባ ኪዳነ","content":"“ዓለም ሓንቲ ሃገር’ያ፣ ደቂ-ሰብ ድማ ዜጋታታ’ዮም” ንዝብል እምነት ብሃይ ርዒማ “ሱረይ ኤርትራ፡ ጨናፍረይ ድማ ዓለመይ እዩ” እትብል ኣብ ፓሪስ-ፈረንሳ እትነብር ኤርትራዊት ገጣሚት ሳባ ኪዳነ ፍሉይ ስነ ጥበባዊ ትዕድልቲ ካብ ዘለዎም ገጠምቲ ሓንቲ እያ። ሓራም ዝበሃል ዛዕባ ሓኺኻ ብምድርባይ ምስ ጽላሎት ዜናግሩን ዜካትዑን ሓሳባት እትገጥም ሳባ ንኣስመራ ስለእትናፍቕ’ዶ ትኸውን ብገዛውታን ኣተዓባብያኣን እትገጥም? እታ ውቅብትን ግርምትን ኣስመራ’ኸ ትናፍቓ’ዶ ትኸውን? ንክትምለሶ ካብ ዝቐረበላ ሕቶታት እዩ ነይሩ። “እወ ንናፋፈቕ እመስለኒ። ብሸነኸይ ንኣስመራ ኣዝየ’የ ዝናፍቓ፣ ኣብኡ ተወሊደ ስለ ዝዓበኹ። ምናልባሽ ኣብ ዓመት ሒደት መዓልታት የምልጣኒ ይዀና ኣስመራ ብሓሳበይ ከይበጻሕኩ ዝሓድረሉ፣ ንኣስመራ ዜብጽሕ ናይ ምሸት ፍሉይ ፓስፖርት ኣሎኒ ክብል እኽእል፡ ኣበሃህላይ እንተድኣ ተረዲኡካ\" ኢላ ካዕ-ካዕ በለት። ቀጺላ ድማ “እቲ ኣነ ዝፈልጦ ሰብ ይዅን ቦታ ብሓሳበይ ሓደ-ብሓደ እበጽሖ'የ - ነቲ ምብጻሕ ዝኽልክል ሓይሊ ስለ ዘየለ። ከምኡ ክብል ከለኹ ግን ድሕሪ ናይ ዕስራ ዓመታት ምፍላይ እቲ ዝተፈጥረ ክዉንነት ዝተፈልየ ምዃኑ ኣይስሕቶን - ተዘክሮታትን ክውንነትን ኣይቃራረቡን’ዮም” ትብል ሳባ። “ይዅን’ምበር፡ ሕጂ፡ ኣብዚ ዘለናዮ ኵነታት ማለተይ’ዩ፡ እቲ ኣገባብ ናፍቖት ተለዊጡ ዘሎ እመስለኒ” ዜስምዕ ፍላስፍናዊ ስኽነት ዝሓዘለ መልሲ ሃበትሉ - ብዙሕ ነገር ከም ዝተለወጠ፡ ብዙሓት ደቂ ኤርትራ ከም ዝተሰደዱ፡ ሕመረት ቤተሰብ ከም ዝተበከለ፡ ወለድና ከም ዝሓለፉ፡ ዝዓበየትሉ ጐረቤት ከም ዘይልለ፡ ኣስመራ ድማ ብዓቢኡ ከም ዝተዳህኸት ብምዝካር። “እቲ ኣስመራ ትናፍቐኪ’ዶ ዝበልካዮ ግን እንድዒ’ዩ መልሱ። ‘ረምታ’ ዝበሃል መደብ ተለቪዥን ኣብ ዘዳልወሉ ዝነበርኩ እዋን ከምዚ ትማል-ትማል ዝነበረ ኰይኑ ይስምዓኒ። ሽዑ’ዩ ምስ ኣስመራ ጽኑዕ ምትእስሳር ዝነበረኒ። እታ መደብ እውን ጌና ትቕጽል ኣላ። እቲ ሽዑ ዝቐርብ ዝነበረ መደብ ዘኪሮም ዜዛርቡኒ ሰባት’ውን ኣለዉ” ትብል። ንረምታ ብኻልእ ሸነኹ ንምርኣይ ንሓደ ካብ'ቶም ንሳባን ንግጥምታታን ብቐረባ ዝፈልጥን ንፈለማ እዋን ንስርሓታ ኣብ ወጻኢ ዘፋለጠን ኣኪቡ ዜሕተመን፡ ኣብ ስነ-ጥበብ ልዑል ፍቕሪ ዘለዎ መስራትን ወናንን ኣዝማሪኖ.ኮም ናይ ቴክኖሎጂ ኪኢላ ተስፋልደት ኣለም መሓረና። “ ንሳባ ኣብ ቅርዓታዊ ምርኢት ረምታ ዝረኣየ ሰብ ንሓዋሩ ካብ ሓሳቡ ትፍለ ዀይኑ ኣይስምዓንን\" ይብል እሞ፡ ብሜሎድራማን ርሱን ስምዒታትን ዝተሰነዩ ግጥምታት ኣብ ሓንጐል ተዓዛቢ ተወቂጦም ከምዝተርፉ ይምስክር። ንሒደት ካልኢታት ሕስብ ኣቢሉ ድማ \"ብሓቂ ንልቢ ዝምስጥ፡ ንሕልና ዝጕርጕር፡ ንሕፍረትና ዜየናሕሲ፡ ንሓጥያትናን ዜናስሕ፡ ንመንነትና ዜቃልሕ፡ ኣብ መሽጐራጕራት ልባትና ዝተዓቝቡ ሕንከታትና ዝምርምር፡ ብሓጺሩ ገው ዜብልን ዜቕዝዝን ምርኢት ርእየ ክብል እኽእል\" ብምባል ንኣሰዃዅዓ ቃላታን ኣደማምጻኣን ብምድናቕ፡ ብ1996፡ ኣብ ኣስመራ ዜቕረበታ 'ነቦኻ' ዘርእስታ ግጥሚ ከም ኣብነት የቕርብ። ነቦኻ ኣብቲ መገዲ ኣርብዓ ይሓይሽ ኣብ ዝበለቶ ተጸጊዓ፣ ዝፍቀዳ ሰናቲም ኣብ ቅድሚኣ ዝርካቡ ጉልባባ፡ ንወዳ ኣማሚቛ! ኣእዳዋ ናብቲ ቀዝሒ ለልኢኻ፣ ዕሸላ ክትዕንግል ስለ ዝነበራ፣ ከይፈተወት ከምኡ ጌራ። ጌና፣ ጌና: ብሓራሳ’ያ ሓጋዚ ስኢና ዝርንዛሕ ነቢዓ: ዕድላ ኣማሪራ:: “ሓራስ ጓል ማርያም” ዘበላ እነሆ ሕጅስ ዓዂኹላ: የጻውታ ኣሎ የዕልላ። ‘ማማየ’ቲ ጅንሒ ከልኤኪ ...’ “እንታይ? ” ‘ከምጂ ...’ ዝጸምለወ ገጻ፡ ተስፋ ተቐልቂልዎ ጻዉቱ ርእያ ሰሓቓ ክትትውሖ! ኣብ ተጠንቀቕ’ያ ኔራ፡ ተዋዲዱ ፍቕራ። ንሱ ድማ ፍንጭሕ-ጭሕ እናበለ: ከምቲ ናታ ስለ ዝኸኣለ፣ ‘ሽለ ማልያም’ በለ፣ ኢዱ እናሰደደ። ስንባደ ከምሕሱም ዘበጣ! ንኸይስበሎ ኣንፈጥፊጣ! ምስ ተበራበረት ግን ካብቲ ዘኸንደዳ ገለ ነገር ክትገብር ተገዲዳ። ጀመረት ድማ ክትዝርዝሮ ነቲ ጻውቲ-ቐደማ፡ ነቲ‘ትዝክሮ “በዚኣ ጻጸ፡ በዚኣ መላጸ እምባሕ! ‘ኛው-ኛው ኣቀናጥዋ ድሙ፡ ቲኽቲኽ!’ ቱፍ እሞ በለለይ ቱፍ እሞ በለይ’ ለመድዎ እቲ ሰሓቕ ለመዶም፡ ለመድዎ ምጽዋት:: ሓደ መዓልቲ ግን ኣይከምቀደሙን ቀጨውጨው ኣብዚሑ ግዲ ኣይጠዓሞን። ሽዑ ምስ ተኣበደ ”ቱፍ እሞ በለለይ” ንሱ ድማ በለ ‘ቡፍ እሞ በልለይ’ “ንመን ዕዕ’ ክብለልኪ ማማየይ?” ምስ በላ.. “ነቦኻ ...!” በለቶ ሞሊቑዋ፡ ኣፋ ግን ዓበሰት: ነታ ቃል ትመልሳ መሲሉዋ ጣዕሳ እናለለዋ። “ሳባ ምስ ብዙሕ ዉጹዕ ሸነኻት ሕብረተሰብና ጽኑዕ ምትእስሳር ዘለዋ፡ ኣእምሮኣዊ ስእሊ ክትስእልን ዓቕሚ ዘለዋን ገጣሚት’ያ። እታ ግጥሚ ክንዓቢ እንከለና ንደወል ሕልናና ኣይንሰምዖን ከም ዝነበርና’ያ ትሕብር ... ክንደይ ስኡናት፡ ኣብ ጽርግያ ዝልምና ዝነበራ ኣዴታታ፡ እሞ ኸኣ ገሊአን ሓራሳት፡ ረጊጽናየን ክንሓልፍ ይዝከረኒ። ሳባ ከኣ ኣብ’ቶም ደቀቕቲ ነገራት ብምትኳር ንስምዒታት ምስ ቃላት ኣተኣሳሲራ ንትዕዝብታት ክትገልጽ ብምኽኣላ ዓቢ ጸጋ’ዩ። መበቈላውነት (originality) ዘለዎ ግጥሚ ብምቕራብ ኣብ ስነ-ጽሑፍና ነባሪ ኣስተዋጽኦ ትገብር ዘላ ገጣሚት’ያ። መልእኽታ ምስጢራዊ ዀይኑ ምስጢራት ህይወት ብሜሎድራማ ዜቃልዑ እንተበልኩኻ ትርድኣኒ’ዶ ትኸውን?” ክብል ደጊሙ ብኣድናቖት ገለጻ። ሳባ ኣብቲ ኣብ ናፍቖት ዘተኮረ ኣርእስቲ ከምዚ ክትብል ሓሳባ ትምልእ። “ኣብ መራኸብ ብዙሃን ብዙሕ ጊዜ ስለ ዝሳተፍ ብዙሓት ሰባት ብናፍቖት ክዛረቡ እሰምዕ’የ። እቲ ዜገርም ግን እቶም ሓሓሊፎም ኣስመራ በጺሖም ንመደበሮም (ኣአንጋዲ ሃገሮም) ዝምለሱ ሰባት ካብ ኣስመራ ሒዞምዎም ዝመጹ: ስጊንጢር ግን ሓቀኛ ትዕዝብትታት ኣለዉ - እዚ ማለት ኣብ ኣስመራ ኰይኖም ነቶም ዘአንገዱዎም ሃገራት ከም ዝናፍቑ ክዛረቡ ምስምዐይ’ዩ” ትብል ሳባ። “እዚኣ ደኣ ከመይ’ያ?” ንእትብል በዳሂት ሕቶ ከኣ ... “ናተይ ኣብነት ክህበካ ... ኣብ ኣስመራ እነብረሉ ኣብ ዝነበርኩ እዋን ነዛ ሓድሽ ናብራ ንክጅምር ዕድል ዝሃበትኒ ሃገር ፈረንሳ ኣይናፍቓን’የ ነይረ - ኣይፈልጣን ስለ ዝነበርኩ። ድሓር ግን፡ ኣብ ኤርትራ ክነብር ከም ዘይክእል ምስ ተረድኣኒ ናብ ፓሪስ ንክግዕዝ ዕድል ረኸብኩ፣ እቲ ዕድል ከኣ ተጠቐምኩሉ ... ምሉእ ብምሉእ” ትብል። ወሲኻ ድማ “ኣብ ኤርትራ ተወሊደን ዓብየን፡ ሕጂ ኣብዚ ሃልየ ብዘየገድስ፡ ኣብ ኤርትራ ኣይጠዓመንን፡ ኣብዚ ግን ብኣንጻሩ ብጽቡቕ እነብር ኣለኹ እናበልኩ ክምስክር እደሊ። ኣብ ኤርትራ ከም ሓንቲ ዜጋ ዝተነፈጉኒ መሰላት ብዙሓት’ዮም፣ ከም ሰብ መጠን እቶም መሰላት ኣብዚ ምሉእ-ብምሉእ ተኸቢሮምለይ እነብር እኔኹ። ደቂ-ሰብ ካብ ሓደ ዕቡስ ናብራ ኣልጊሶም ኣብ ሓደ ክፉትን እፎይ ኢሎም ዝሓድረሉን ሃገር ምንባሮም ዝመስልዎ የለን” ኢላ ድሕሪ ምግላጽ ናብ ዛዕባና ትምለስ። “ዝናፍቖ ሸነኽ ኣስመራ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ምስ ኣደይን መቕርበይን ዜሕለፍክዎ ናብራ፡ ምስ ብጾተይ ሓቢረ ዜዀማሳዕክዎ ህይወት ዜኣመስሉ’ዮም። ይዅን’ምበር ኣነ ኣየስቈርቍርን’የ። ምኽንያቱ ዝሓለፈ ሓሊፉ፡ ብዝሓሸ ናብራ ኸኣ ተተኪኡ ስለ ዝረኽቦ። ስለዚ እቶም ኣብ ኤርትራ ዀይኖም ንፓሪስ ናፊቕና ዝብሉ በጻሕቲ ኵነታቶም ኣጸቢቐ’የ ዝርድኦ። ሃገርና መናፈቒ ምኽንያት ኣይሃበትናን፣ መህደሚ’ምበር” ኢላ ደርጒሓ ገደፈቶ። ንግልባጥ ናፍቖት ንምግላጽ ኣብ ፓሪስ ኰይና ግጥምታታ ከመይ ኢላ ከም ዜማዕበለት፡ ከመይ’ላ ቍሊሕ-ምሊሕ ከይበለት ዝደለየቶ ክትሓስብን ክትገጥምን ከም ዝኸኣለት፡ ትርጕም ሓፈሻዊ ዕለታዊ እፎይታ ዓቢ ዋጋ ከም ዘለዎ፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ዜኻዕበተቶም ጸጋታታ ሓደ ብሓደ ክትዝርዝሮም ጀመረት። “ኣርባዕተ ደቀይ ብሰላም ኤዕቢ ኣለኹ፡ እታ ዓባይ ድሮ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣትያትለይ። ካብ’ዚ ዝዓቢ ጸጋ ኣበይ ይርከብ? ጽባሕ ብጭቕ እንተ ድኣ ኢሉኒ ዝኣስረኒ ሰብ የለን። ብፍርሂ ተዋሒጠ ኣይነብርን። ምስ ክንደይ ፈረንጂ ዀኑ ደቂ ካልኦት ዓልየት፡ ኣብ ግጥሚ-ዓለም ዝመላለሱ ፈላጣት ኰይነ ነብሰይ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናኣማዕበልኩ እነብር ኣለኹ። ብሓቂ ኣዝየ’የ ዜመስግን” እናበለት ብዘይ ውልውል መርገጺታት ህይወታ ተነጽር። “ከምዚ ክብል ከለኹ ግን ናይ መን ናፍቖት ኣሎኪ ኢልካ እንተድኣ ሓቲትካኒ ኣብ ኤርትራ ካብ ዝእሰሩ ክሳብ ሕጂ ዘይረኣኽዎም ብጾት ከም ዘለውኒ ድየ ክብል ዝነበሩኒ ናፍቖት ኣለኒ እብለካ፣ ብዛዕብኣቶም ሕልናይ ደጋጊሙ የዘኻኽረኒ’ዩ ... ከም ዝበልኩኻ እናፍቖም ስለ ዝዀንኩ” ትብል ሳባ። “እዚኣቶም ካብ ኤርትራ ዘይኰነስ ካብ ማሕቡስ ክወጹ ዘይከኣሉ’የ ዝብለካ ዘለኹ” እናበለት ብምረት ትዛረብ። ድምጻ ፈጥፈጥ እናበለ ኸኣ “ኤርትራ እዞም እሱራት እተዘይብላ ንዓይ ትርጕም ኤርትራ ጥፉእ’ዩ!” በለት። “ንሳቶም ንዓይ ኣንጕዕ’ዮም ከም ሰብ መጠን” ምስ በለት ገለገለ ካብኣታቶም ጦብላሕ ይብሉዋ። “ዝገርመካ ካብኣታቶም ኣብ ሕልመይ ተመላሊሶም ዝረኣኹም ሰባት ኣለዉ። ብተደጋጋሚ ዝርእዮ ሰብ ኣማኒኤል ኣስራት’ዩ። ካልኦት’ውን ኣለዉ ... ከም መድሃኔ ሃይለ፡ ሳልሳይ ድማ ስዒድ ዓብደልቃድር’ዩ። “ንኣማኒኤል ኣብ ወጻኢ ሓዉ ኣለዎ። ሓደ መዓልቲ ንኣማኒኤል’ምበር ሓሊመዮ ኢለ ምስ ጸሓፍክሉ ‘ክሊ ኣይተቕንእኒ!’ ክብለኒ ይዝከረኒ። እዞም ሰባት’ዚኦም ኣዝየ እናፍቖም’የ” ትብል። በሪ-ዉሕጃ ተኸፊቱ ተወሳኺ ዛንታ ኣዕለለትና። “ሓደ መዓልቲ ንፔን-ኤርትራ ዝበሃል ማሕበረይ ወኪለ ኣብ ሓደ ኣህጕራዊ ኣኼባ - መበል 100’ዊ ዓመት ምምስራት ፔን ኢንተርናሽናል ምዃኑ’ዩ - ተሳቲፈ ነይረ። ሓደ ካብ’ቶም ዕማማት ነቶም ኣብ ዓለም ሙሉእ ተኣሲሮም እንጕስጕሰሎም ዝነበና ጸሓፍቲ ደብዳቤ ምልኣኽ ነበረ። ኵሎም ኣብቲ ኣኼባ ምሳይ ዝነበሩ ብጾተይ ደብዳቤ ክጽሕፉ ሸበድበድ ክብሉ ኣነ ግን ንበዓል ኣማኒኤል ኣስራት ብኽያት-ንብኽያት ክኸውን ይዝከረኒ” በለት። “ንምንታይ?” ምስበልኩዋ፡ “ኣበይ ከም ዝጽሕፈሎም ጠፊኡኒ” ኢላ ዝን በለት። ካብቲ ዝኣተወቶ ትካዘ ንኸገላግላ ... “ናይ ግጥሚ መጽሓፍኪ ድኣ መዓስ’ያ ትሕተም?” ኢለ ብሃንደበት ዛዕባ ለወጥኩ። እቲ ምኽንያት ተረዲኡዋ ከኣ “ዉድእቲ’ያ። ኣብቲ ናይ መጠረስታ ደረጃ በጺሓ’ያ፣ እንተዀነ ኣነ ኣይህወኽን’የ” በለት። “ኣንበብቲ ግን ንህወኽ ኢና” ብማለት ሰናይ ትምኒትና ተገላሊጽና ተፈላለና።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60094600"} {"headline":"ስነ-ጥበብ፡ ቤልጂየም ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተወሰዱ ባህላዊ ደርፍታት ርዋንዳ ኣረኪባ","content":"ኣብ ርዋንዳ ኣምባሳደር ቤልጂየም፡ ሃገሩ ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝወሰደቶም ባህላዊ ሙዚቃታት፣ ደርፍታትን ዛንታታትን ብወግዒ ንመንግስቲ እታ ሃገር ኣረኪቡ። እቶም በቲ እዋን ዝተቐድሑ ስራሕቲ ስነ-ጥበብ ብዲጂታላዊ ቅዳሕ ንርዋንዳ ከምዝተወሃብዋ ድማ ተፈሊጡ። ካብ 1954 ጀሚሩ ዝተቐድሑ ልዕሊ 4,000 ደርፍታትን ሙዚቃን ዝርከብዎ ኮይኑ፤ መብዛሕቲኦም ኣብ ቤልጂየም ብራስለስ ቤተ-መዘክር 'ሮያል ሰንትራል ኣፍሪቃ' ተዓቂቦም ዝጸንሑ'ዮም። \"እዚ ቀዳማይ ስጉሚ እዩ፤ ካብ ቤልጂየም ሓድግታትና (ውርሻታትና) ዝኾነ ብዙሕ ንብረትን ነገራትን ኢና ንጽበይ\" ክብል ሓደ በዓል ስልጣን ኣካዳሚ ባህላዊ ውርሻታት ቤልጂየም ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ሓይልታት ቤልጂየም ነታ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃዊ ግዝኣታት ጀርመን ዝነበሩ ከባቢታት ሓንቲ ንዝኾነት ርዋንዳ ኣብ እዋን ቀዳማይ ኲናት ዓለም ከምዝተቐጻጸረታ ይግለጽ። እቶም ሎሚ ተመሊሶም ዘለዉ ደርፍታት፣ ሙዚቃታትን ዛንታታትን ህዝቢ ክሪኦም ኣብ ዝኽእል ቤተ-መዘክር እታ ሃገር ክቕመጡ ምዃኖም ተሓቢሩ'ሎ። \"ርዋንዳውያን መናእሰይ በዞም ተመሊሶም ዘለዉ ባህላዊ ሙዚቃን ስነ-ጥበብን ክመሃሩ ከምኡ'ውን ክነቓቕሑ እዮም\" ክብል እቲ በዓል ስልጣን ኣረዲኡ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59100926"} {"headline":"ሶማልያዊት ናይ ፍቕሪ ፊልም ኣብ ውድድር ኣፍሪቃዊ ፌስቲቫል ተዓዊታ","content":"ዘ ግሬቭዲገርስ ዋይፍ' [ሰበይቲ ናይቲ ኳዓቲ መቓብር] ብዝብል እትፍለጥ ሶማልያዊት ፊልም ኣብ ኣህጉራዊ ውድድር ኣፍሪቃ 'ፌስፓኮ' ናይ ፊልም ፌስቲቫል ተዓዋቲት ኮይና። እታ ብፊንላንዳዊ ትውልደ ሶማሊያዊው ኣላዪ ፊልሚ ከድር ኣሕመድ ዝተሰርሐት ፊልሚ፡ ካብ መንጎ 16 ፊልምታት እያ ተዓዋቲት ኮይና ወጺኣ። ፌስፓኮ ፍሉጥ ኣህጉራዊ ውድድር ፊልሚ ፈስቲቫል እዩ። እቲ ሎሚ ዘበን ንመበል 27 ግዜ ኣብ ቡርኪና ፋሶ ዝተኻየደ ፌስቲቫል፡ ኣብ ኣፍሪቃ ብኣፍሪቃውያን ዝተሰርሑ ፊልሚታት ጥራይ እዩ ዘወዳድር። እታ ናይ ሎሚዘበን ተዓዋቲት ፊልሚ፡ ጉሌድ ኣብ ዝተብሃለ ኳዓቲ መቃብር እያ ተትኩር። እቲ ኣብ ኣፍ ደገ ሆስፒታል ኮይኑ ናይ ዝሞቱ ሰባት ኣስከሬን ምጽባይ ዋና ስርሑ ዝኾነ ጉሌድ፡ ናብ ስራሕቲ ኳዕቲ መቓብር ክኣቱ ዝተገደደ ዝሓመመት ሰበይቱ ንምሕካም ክብል እዩ። ቀንዲ ዳኛ እቲ ውድድር ፊልም ፈስቲቫል ዝኾነ፡ ዓብደራሕማን ሲሳኮ፡ \"ሰብ ማለት እንታይ ማለት ከምዝኾነ እትትርኽ ጽቡቕቲ ፊልም እያ\" ክብል ኣድናቖቱ ገሊጹ። ኣዳላዊ እታ ፊልሚ ኣሕመድ ብወገኑ ኣብ ኢንስታግራም ገጹ፡ \"ሓጎሰይ ንምግላጽ ቃላት የብለይን። ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ከምዚ ዓይነት ሽልማት ምርካበይ ኣዝየ እየ ዘመስግን\" ኢሉ። ኣብ ፊልምታት ሶማልያ ብዙሕ ብዘይተለምደ መልክዑ፡ ንውሕ ዝበለት ፊቸር ፊልም ኾይና፡ ኣብ ኦስካር ብሉጽ ዓለምለኸ ፊልምታት ኣብ ዝርዝር ንውድድር ዝቐረበት ናይ መጀመርታ ኣፍሪቃዊ ስራሕ እያ። እታ ኣብ ጅቡቲ ኮይና እትስራሕ ፊልም፡ ጉሌድ ዝተብሃለ ቀንዲ ገጸ ባህሪ ብሕማም ኩላሊት እትሳቐ ሰበይቱ ንምሕካም ክብል ዝኸፍሎ ዋጋን ላዕልን ታሕትን እያ እትትርኽ። ጉሌድ ኮይኑ ዝዋሳእ ዖማር ዓብዲ ዝተብሃለ እንትኸውን፡ በዓልቲ ገዝኡ ናስራን ወኪላ እትሰርሕ ድማ ያስሚን ዋስሳሜ ትበሃል። እቲ ኣላዪ'ታ ፊልሚ ምስ ጋዜጣ ጋርድያን ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት፡ \"ኣብቲ ፊልሚ ብክብርን ርህራሄን ንምስራሕ ፈቲነ እየ። እዚ ባህርታት ካብ ኣተዓባበያይ ሒዘዮ ዝመጻኹ እዩ\" ኢሉ። ኣብ ሶማልያ ዝተወልደ ኣሕመድ ቆልዓ ኾይኑ እዩ ናብ ፊንላንድ ከይዱ። ነታ ፊልሚ፡ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመትታ'ኳ እንተጸሓፋ፡ ኣሰራርሓ ፊልም ክሳብ ዝመሃር ዓሰርተ ዓመት ከምዝወሰደሉ ገሊጹ። 'ጎልደን ስታሊየን ኦፍ የኔጋ' ዝተብሃለ ሽልማት ዘረኸበ እቲ ኣላዪ፡ ብተወሳኺ ድማ ናይ 36,000 ዶላር ሽልማት ተዋሂብዎ። ካብ ኣሕመድ ቀጺላ፡ ናይ ብ ሩር ሽልማት ዝረኸበት 'ቴል ኦፍ ላቭ ኤንድ ዲዛየር' ዝተብሃለ ፊልም ዝሰርሐት ቱኒዝያዊት ኣላዪት ፊልሚ ለይላ ቦውዚድ ትበሃል።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59027903"} {"headline":"ኣመሪካ፡ ኣር ኬሊ ገበናቱ ንክኣምን ዝቐረቡ መሰኻኽር ዓይኒ","content":"ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ወርሒ፡ ብደርዘን ዝቑጸሩ ግዳያት ገበናት ጾታዊ ዓመጻት ኣር ኬሊ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ምስክርነቶም ኣስሚዖም እዮም። ካብ 11 ግዳያት ኣብዝሓ ብሕቡእ ስመን፡ ኣብ ትሕቲ ዕድመ ኮይነን ምስ ኣር ኬሊ ጾታዊ ርክብ ከም ዝፈጸማ ክገልጻ እንከለዋ ገለ ደቂ ተባዕትዮ'ውን ይርከብዎም። እተን ደቂ ኣንስትዮ ግዳያት ንኣር ኬሊ፡ 'ቁጡዕ፣ ተቖጻጻርን ብስጭውን' ክብላ ዝገልጸኦ ኮይነን 'ዳዲ' ኢለን ክጽውዕኦ'ውን የገድደን ከም ዝነበረ ይዛረባ። ካልኦት ድማ፡ ናይ ጸለመ ደብዳበታት ክጽሕፋ ይግደዳ ከም ዝነበራ ገሊኡ ንደሓር ከም ምስክር ኮይኑ ንክቐርብ ዝተሃቀነ ከም ዝኾነ ድማ ኣቃሊዐን። ትማሊ በቶም ተደራረብቲ ክስታት ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኽበ ኣር ኬሊ፡ ናይ መወዳእታ ብይኑ ንክሰምዕ ንግንቦት 4 2022 ተቖጺሩ ኣሎ። ንምዃኑ እተን ግዳያት እንታይ እየን ኢለን? ኣስማተን ብቤት ፍርዲ ጥራይ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብካልእ እየን ዝጽወዓ። \"ካብኡ ከምልጥ ጎየ ነይረ\" ጄን ዶ ቁጽሪ 5 ብዝብል ስማ ተቐይሩ ዝቐረበት ሓንቲ ምስክር፡ ኣብ 17 ዓመታ እንከሎ ዝተጀመረን ንሓሙሽተ ዓመታት ዝዘለቐን ምስ ኬሊ ኣብ ዝነበራ ጾታዊ ርክብ ብዙሕ ከም ዝበደላ ትዛረብ። ንሳ፡ ኣብ 2015 ብልጽቲ ደራፊት ምዃን ሕልሚ ነይሩዋ። እታ ሕዚ ጓል 23 ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ፡ ምስኡ ጾታዊ ርክብ ምስ ፈጸመት ድማ ሄርፕስ ዝበሃል ቆርበት ዘቑስል ሕማም ከም ዝለገባ ተዛሪባ። ንሱ እናፈለጠ ኮነ ኢሉ ከምኡ ከም ዝገበረን፡ ቀዲሙ ክነግራ እናተገበኦ ስቕ ኢሉ ምፍጻሙን መስኪራ። \"እዚ ስብኣይ ኩሉ ነገር እናፈለጠ እዩ ሂቡኒ\" እትብል እዛ ግዳይ ክቇጻጸሮ ዝኽእል ነገር ኮነ ኢሉ ከም ዘመሓላለፈላ ከሲሳ። ርግጽ፡ ናቱ ዶክተር'ውን ኣር ኬሊ ካብ 2007 ጀሚሩ ነቲ ሕማም መድሓኒት ይወስደሉ ከም ዝነበረ መስኪሩ። ስለ ምንታይ ከምኡ ከም ዝገበረ ምስ ሓተተቶ ድማ፡ \"ካብ ካልእ ሰብ'ውን እንተኾነ ክትረኽበዮ ነይርኪ ኢኺ\" ዝብል ናይ ይበተኹ ምላሽ ከም ዝሃበ ዘኪራ። ድሒሩ ድማ፡ በቲ ሕማም ምኽንያት፡ ሰብነታ ብምቑሳሉ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ምስ ተጸገመት፡ 'ኣካላትኪ ፈሪሱ ኣሎ' ብዝብል ከም ዘንጸርጸረ ወሲኻ ሓቢራ። ፋይዝ ብዝብል ስም ዝተገልጸት ካልእ ግዳይ ድማ፡ ብተመሳሳሊ እቲ ሕማም ከም ዘመሓላለፈላ መስኪራ። ከምኡ'ውን፡ ኬቲ ብዝብል ስም ዝተገልጸት ካልእ፡ በቲ ሕማም ምስ ተትሓዘት ካብኡ 200 ሽሕ ዶላር ካሕሳ ከም ዝረኸበት ኣፍሊጣ። ጄን፡ መዓልታዊ ህይወታ ከም ዝቆጻጸራን ዝበላ እንተዘይተማእዚዛ ድማ፡ ቆርበታ ክሳብ ዝምለጥ የንበርክኻን ይገርፋን ከም ዝነበረ ኣዘኻኺራ። \"በብሰለስተ ወይ ክልተ መዓልቲ ይግረፍ ነይረ\" ኢላ ንቤት ፍርዲ ተዛሪባ፤ ጄን። ብፍላይ ሓደ እዋን፡ ንመሓዛኣ 'ኩሉ ግዜ እዩ ዝወቕዐኒ' ዝብል መልእኽቲ ምስዳዳ ምስ ፈለጠ፡ ብገዚፍ ጫማ ገይሩ ረጊጹ ከም ዘሳቐያ ተዛሪባ። \"ካብኡ ከምልጥ ጎየ ነይረ፤ ተቓሊሰዮ ድማ\" ኢላ። ካልእ ግዜ ድማ ምስ ኣጥነሳ፡ ነቲ ጥንሲ ክተውርዶ ዘገደዳ ኾይኑ፡ ኣብ መወዳእታ ሓደ ካብቶም ኣገልገልቱ ናብ ክሊኒክ ከም ዝወሰዳ ተዛሪባ። ከምኡ ድማ፡ ጄን ከም መቕጻዕቲ ፍታና ናብ ገጻ እናጣሰመት ቪድዮ ክትቀርጽ የገድዳ ከም ዝነበረን ንቐጻሊ'ውን ክትደግሞ ምዃና 'ኣጠንቂቑኒ' ትብል። ካልእ ኣና ብዝብል እትጽዋዕ ጓል ኣንስተይቲ ድማ፡ 'ንጾታዊ ርክብ ዘለዓዕል' ፈሳሲ ሰውነታ ተለኽያ ባዕላ ዕርቃና ቪድዮ ክትቀርጽ ከም ዘገደዳ ንቤት ፍርዲ ተዛሪባ። ጃርሆንዳ ፔስ እዚኣ ቀዳመይቲ ምስክር እንትትከውን፡ ኣብ ግዝኣት ቺካጎ ኣብ 2009 ንፈለማ እዋን ምስ ኬሊ ጾታዊ ርክብ ዝፈጸምሉ እዋን፡ ዕድሚኣ ንከምኡ ዘይኣኸለ ከም ዝነበረ ተዛሪባ። ንሳ፡ ሕዚ ጓል 28 ዓመት ኮይና ኣብ ናይ መጀመርታ ናይ መጋባእያ መዓልቲ ንኬሊ ጓል 19 ምዃነይ እየ ነጊረዮ ኢላ እንተነበረት'ኳ፡ ብትኸክል ዕድሚኣ ከምኡ ከም ዘይነበረ ድሒራ ኣፍሊጣ። ዘይግቡእ ኣከዳድናን ተኸዲና ብናቱ ድሌት ኣሰራርሓ ጸጉራን ክትረአ የገድዳ ከም ዝነበረን፡ ጾታዊ ርክብ እንትፍጽሙ ድማ ቪድዮ ይቐርጽ ከም ዝነበረን ወሲኻ ተዛሪባ። ሽቓቕ ንምጥቃም ከይተረፈ ናቱ ፍቓድ የድልያ ከም ዝነበረን፡ ባህ እንተዘይኢልዎ ክሳብ ሳልሳይ መዓልቲ ዓይኒ ሚድሪ ከይረእየት ክትጽበ የገድዳ ከም ዝነበረን'ውን ወሲኻ ሓቢራ። ካብ ደገ ናብ ገዛ እንትኣቱ፡ ተንከባኺባ ክትቅበሎን ከምኡ እንተዘይገይራ ይጸፍዓን ጡፍ ይብለላን ከም ዝነበራ'ውን ኣቃሊዓ። ምስ ኬሊ ኣብ ዝነበራ ጻንሒት ኣመልኪቱ፡ ብስማ ካብ ዝተሓተመ መጽሓፍ ድማ 25 ሽሕ ዶላር ከም ዝረኸበት ዝተገብሩ መርመራታት የረጋግጹ። እንተኾነ፡ ንሳ ኣብ ሚድያታት ወጺኣ ንዝሃበቶም ቃለ መሕትትታት ዝኾነ ክፍሊት ከም ዘይተውሃባ ትዛረብ። \"እንታይ ዓይነት ሙዚቃ ክትሰርሕ ደስ ይብለካ\" ክልተ ኣወዳት ድማ፡ ናቱ ዓጀብቲ ኮይኖም ተጓንፎታቶም ኣካፊሎም። ሓደ ካብኣቶም፡ ሎዊስ ብዝብል ኣብቲ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ኮይኑ ኣብ 2006 ወዲ 17 ዓመት ኮይኑ ምስኡ ኣብ ቺካጎ ኣብ ማክዶናልስ ናይ ለይታዊ ተልሂት ይሰርሕ ዝነበረ እዩ። ኬሊ ቴሌፎኑ ሂቡ ናብ ገዝኡ ከም ዝኣንገዶን ኣብ ዝኾነ ሰዓት ናብቲ ድምጺ ዝቐርጸሉ ስቱድዮ ኣእትዩ 'እንታይ ዓይነት ሙዚቃ ክትሰርሕ ትደሊ' ከም ዝበሎን ይዝክር። ካብኡ ሰብነቱ ተናኺፉ፡ ትሕቲ ዕድመ እናሃለወ 'ሶዶማዊ' [ሕዳዊ] ርክብት ከም ዝፈጸመሉ ተዛሪቡ። ካብኡ፡ \"እዚ ምስጢር እዩ ከይትዛረብ፤ ኣባይን ኣባኻን ይትረፍ። ድሕሪ ሕዚ ስድራ ኢና፤ ኣሕዋት ኢና\" ክም ዝበሎ ኣዘኻኺሩ። እቲ ካልኣይ ወዲ ተባዕታይ ድማ፡ ኣሌክስ ብዝብል ስም ዝተገልጸ ኾይኑ፡ ኣብ 20 ዓመቱ እንከሎ ምስኡ ርክብ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ከም ዝፋለጡ ይዛርበ። ሓደ ግዜ 'ኣጆኻ ግልጽ ኢልካ ረአ' ብምባል ኣገዲዱ ከም ዝሰዓሞ እዩ ዝዛረብ። ካልእ ግዜ ድማ፡ ንሱ ምስ ባዕሉ ዘምጸአሉ ኣጓላት እናረእየ ጾታዊ ርክብ ክገብር ከም ዘገድዶን ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ክሕወሶምን ይዝክር። ኣብ መንጎኦም ካብ ጾታዊ ርክብ ወጻኢ ዝኾነ ዓይነት ካልእ ዝርርብ ከይገብሩ ኣጠንቂቑ ከምኡ ይገብር ከም ዝነበሩ ይዛረብ። ምስኡ ዝኾነ ቤተሰባዊ ርክብ ዘይብሎም እንተኾኑ'ኳ፡ 'ወዲ ሓፍተይ' እናበለ ይጽወዐኒ ነይሩ -ይብል። 'ክዋረድ ኣይደለኹን' ካልእ ኣዲ ብዝብል ስማ ዝተገልጸት ሰበይቲ ድማ፡ ኣብ ግዝኣት ሚያሚ ድሕሪ ሓደ ኮንሰርት ኬሊ ከም ዝዓመጻ ትዛረብ። ንሳ ምስ ካልእ መሓዛኣ፡ ክልተ ኣወዳት ምስ ኣዛረብወን ድሕሪ እቲ ኮንሰርት ኣብ ድሕሪ መጋረጃ ክራኸቡ ኣመቻችዮም ትብል። ካብኡ ኬሊ፡ ነቲ ምድሪ ጽርግ ጽርግ ኣቢሉ ኣብኡ ከም ዝተጋሰሳ ንቤት ፍርዲ ተዛሪባ። \"ኣብቲ እዋን ልበይ ጠፊኡኒ እዩ ነይሩ\" እትብል ኣዲ፡ 'ውሽጠይ ባዶ ተሪፉ' ኢላ። ካብኡ እታ መሓዛኣ፡ ናብ ፖሊስ ክትሕብር እንተደፍአትኒ'ኳ፡ በቲ ምዝንጋዕ ኢንዳስትሪ ንሓዋሩ ናብ ኮንሰርት ምእታው ከይክልከላ ፈሪሓ ኣግዲፋታ። \"ክኣምኑና ምዃኖም'ውን ኣይፈለጥኩን፤ ካብኡ ድማ ንባዕለይ ኣቃሊዐ ክሓፍርን ክዋረደን ኣይደለኹን\" ኢላ። እዚ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመ፡ ኬሊ ኣልያህ ንዝተባህለት ትሕቲ ዕድመ ምስ ተመርዓወ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ምዃኑ ሰነዳት ይሕብሩ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58717090"} {"headline":"ዶረቲ በትለር ጊልያም፡ 'ኣነ ከዳሚት ኣይኰንኩን ሪፖርተር እየ'","content":"ዶረቲ በትለር ጊልያም፡ ኣብቲ ጸሊም ሕብረተሰብ ብዓሌታዊ ኣድልዎ ዝግለሉ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ሓንቲ ዓባይ ጋዜጣ ኣመሪካ ክትዓዪ ዝጀመረት ፈላመይቲ ጸላም ጓል ኣንስተይቲ ጋዜጠኛ'ያ። ሓደ እዋን፡ ኣብ ናይ መበል 100 ዓመት ልደት ዋሽንግተን ፖስት ፓርቲይ ክትሳተፍ ምስ መጽአት እቲ ሓላዊ ማዕጾ \"መእተዊ ከደምቲ ብድሕሪት እዩ \" ክብል በቲ ቀንዲ ኣፍደገ ክትኣቱ ከም ዘይትኽእል ሓበራ። \"ኣነ ከዳሚት ኣይኰንኩን፡ ሪፖርተር ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት እየ\" ክትብል መለሰትሉ። ዶረቲ ኣብ ጋዜጣ ዋሺንግተን ፖስት ከም ሪፖርተር ዝተቖጽረት ፈላሚት ጸላም ኣፍሪቃዊት ኣመሪካዊት ጓለንስተይቲ እያ። ብ1961 እያ ኣብታ ጋዜጣ ስራሕ ጀሚራ። ኣብ ዝሰዓበ ሰለስተ ዓመት ከኣ ኣሰናዳኢትን ኣዳላዊ ዓምዲን ኰይና ብምዕያይ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ኣመሪካን መራኸቢ ብዙሃንን ዓቢ ለውጥታት ክኽሰት ርእያ። ዶረቲ ተመሃሪት ቀዳማይ ዓመት ኮሌጅ እንከላ እያ ሃንደበት ናብ ጋዜጠኝነት ኣትያ። ኣብታ ሉዊስቪል ደፍራንደር እትበሃል ሰሙናዊት ጋዜጣ ከም ጸሓፊት [ሰክረታሪ] ኰይና እናሰርሐት፡ ሓደ መዓልቲ እቲ ኣሰናዳኢ ስለ ዝተጸለኦ ቦትኡ ንኽትትክእ ይሓታ። ዋላ ሓደ ተመኵሮ እኳ እንተዘይነበራ ብዛዕባ እታ ሽዑ ንእሽቶ ዝነበረት ከተማ ኬንታኪ ደረጃ መነባብሮ ማእከላይ ዝደረጃኦም ጸለምቲ ጸብጻብ ከተቕርብ ተላእከት ። \"እታ ፍጻሜ ዓይኒ ዝኸፈተትለይ ኣጋጣሚ እያ ነይራ። ጋዜጠኝነት ብግቡእ እንተተማሂረዮ ከም ሞያ ክስረሓሉን ምስቲ ካልእ ዓለም ከላልየኒ ከም ዝኽእልን ተረዲኡኒ\" ትብል። ኮሌጅ ድሕሪ ምውዳኣ ኣብ ከም ጀትን ኢቦኒን ዝኣመሰላ ፍሉጣት ናይ ጸለምቲ መጽሔታት ሰርሐት። እቲ ቀንዲ ድሌታ ግን ኣብ መዓልታዊ ዜና ምስራሕ ነበረ። ዕድል ገይራ ከኣ ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኮሎምብያ ናይ ጋዜጠኝነት ትምህርቲ ንኽትመሃር ቦታ ረኸበት። ኣብቲ ትምህርቲ እቲ እንኮ ኣፍሪቃዊት ኣመሪካዊት ተማሃሪት ነበረት። ትምህርታ ምስ ወደአት ከኣ ኣብ መበል 24 ዓመት ዕድሚኣ ኣብ ዋሽንግተን ፖስት ስራሕ ተዋህባ ። ኣብ ዋሺንግቶን ፖስተ ናይ መጀመርታ ጸላም ኣፍሪቃዊት ኣመሪካዊት ጓለንስተይቲ ጋዜጠኛ ኬንካ ምስራሕ ንዶረቲ ኣዚዩ በዳሂ ነይሩ። ስርሓ ከተሳልጥ ታክሲ ክትወስድ ምስ እትደሊ ሰብ ታክሲ ጠጠው ኣየብሉላን ነይሮም። ኣብቲ ታክስታት ሰብ ዝጽዕናሉ ቦታ ደው ኢላ ኢዳ ተወዛውዝ እሞ እቶም ሰብ ታክሲ ደው ንኽብሉ ቀስ ኢሎም ምስ ቀረቡዋን ነቲ ጸሊም ቡናዊ ገጻ ምስ ረኣዩን ገዲፎሙዋ ይኸዱ። መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ሪፖርተር ናይ ዋሺንግተን ፖስት ክትከውን ትኽእል እያ ኢሎም ስለ ዘይኣምኑ ኣብቲ ዜና ኣብ ዝወሃበሉ ቦታ እውን ዓሌታዊ ኣረኣእያታት የጋጥማ ነይሩ። \"ኣብ ጋዜጣ ዋሺንግቲን ፖስት እናሰራሕኩ ኣረኣእያኦም ዘይቀየሩ ኣሰናዳእቲ ነይሮም። ሓደ ካብኣቶም ከኣ፡ 'ናይ ጸሊም ቅትለት ኣይንሽፍንን ኢና፣ ሞት ጸሊም ሕሱር እዩ' ምስ በለ ተጠሊዐ ከእውን ክሃድምን ደለኹ\" ትብል ዶረቲ። እንተኾነ ኣብቲ ቦታ ክትሰርሕ እንተኾይና ንነብሳ ከተርግኣን ነቲ ከምቲ ዓይነት ኣመለኻኽታ ቀስ ኢላ ክትገጥሞን ከም ዘለዋ ተረደአት። ናብ ስራሓ እናኸደት ሃንደበታዊ ስምባደ ከጋጥማ እንከሎ ነቶም ኣብ መጽሔት ጀት መሳርሕታ ዝነበሩ ጸለምቲ ጋዜጠኛታት ሓገዝ ትሓትት ነበረት። እቲ ክርስትያናዊ እምነታ በቶም ጸዓዱ መሳርሕታ ንዘጋጥማ ምጕናይ ንምጽዋር ከም ዝሓገዛ ትገልጽ። እቶም ጸዓዱ መሳርሕታ፡ \"ኣብ ስራሕ ሰላም ዶረቲ ይብሉንን ሓሓሊፎም እውን የዛርቡንን ክነሶም ኣብ ግዳም ግን ከምዛ ዘይፈልጡኒ እዮም ረጊጾሙኒ ዝኸዱ። እቲ ተግባር ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። ንሓደ ጸሊም መሳርሕቶም ኣብ ቅድሚ ካልኦት ጸዓዱ ከም ዝፈልጥዎ ክእመኑሉ ዘይምድላይ እዩ\" ትብል። ይኹን እምበር፡ ዶረቲ ብዛዕባ እቲ ምስ ኣሰናዳእቲ ዘጋጠማ ዝኾነ ይኹን ብድሆታት ክትጠርዕን ክትዛረበሉን ኣይትደልን ነበረት። ዝኾነ እተቕርቦ ጥርዓን ጸለምቲ ጋዜጠኛታት ንኸይቈጽሩ ዓቢ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል'ዩ ዝብል የተሓሳስባ ነበረ። ኣብ 1960 ኣብ ኣመሪካ፡ ንዶረቲ ከም ጸላም ሰበይቲ መጠን ምሳሕ ክትረክብ እኳ ኣጸጋሚ እዩ ዝነበረ ። ዶረቲ ኣብቲ ጸለምትን ጸዓዱን ብሕብሪ ቆርበቶም ርኡይ ዓሌታዊ ፍልልይ ዝረኣየሉ ከባቢ እያ ዓብያ። ጸለምቲ ከድምጹ ዕድል ኣይነበሮምን። ትምህርታዊ ኰነ ናይ ስራሕ ዕድላቶም ድሩት እዩ ነይሩ። መሰረታዊ ሰብኣዊ ክብረት እውን ክሕደጉ ይኽእሉ ነይሮም እዮም ። እንተኾነ ዋላ እውን ኣብ ዋሽንግተን እተን ኣብያተ መግቢ ከይተረፈ ንጸለምቲ የግልላ እየን። እተን ናብ ቤት ጽሕፈት ዋሽንግተን ፖስት ቀረባ ዝኾና ኣብያተ መግቢ ንኣፍሪቃውያን ኣሜሪካውያን ኣገልግሎት ኣይህቡን ነይሮም። ስለ ዝኾነ ዶረቲ ቁሩብ ርሕቕ ናብ ዝበለ ቦታ ብእግራ ተጓዒዛ ምስሓ ትበልዕ ነበረት። ዛንታታት ጸለምቲ ብኻልእ መገዲ ናይ ምንጋር ኽእለት ከም ዘለዋ ኣጸቢቓ ትፈልጥ ነይራ። እቲ ኣብ ቀንዲ ማዕከናት ዜና ዝንበብ ኣሉታዊ ስእሊ ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን ብቐንዱ ድምጺ ጸለምቲ ስለ ዘይሰምዑ እዩ ። \"ነቲ ብዛዕባ ጸለምቲ ዝገልጽ ኣሉታዊ ወረ ጥራይ ሪፖርት ክገብር ድላይ ኣይነበረንን፣ ምሉእነት ናይ ጸሊም ህይወት ክሽፍን እየ ዝደሊ ነይረ\" ከኣ ትብል። ዶረቲ ዓበይቲ ፍጻሜታት ሲቪላዊ መሰላት ሸፊና እያ። እቲ ብ1962 ዩኒቨርሲቲ ሚሲሲሲፒ ንሓደ ጀምስ መርዲት ዝተባህለ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ኣመሪካዊ መንእሰይ ናይ ትምህርቲ ዕድል ምስሃበ ዝተፈጥረ ናዕብን ዕግርግርን ሰኒዳቶ እያ። ዶረቲ፡ ድሕሪ እቲ ዕግርግር ንማሕበረሰብ ጸለምቲ ኣዘራሪባ ዛንታ ክትጽሕፍ ዕዮ ተዋህባ። እቶም ጸለምቲ መንእሰያት ልክዕ ከምቲ ናይ ተባዕ ጀምስ መርዲት ናይ ትምህርቲ ዕድል ክረኽቡ ከምዝደልዩ መጻኢ ተስፋኦም ነገሩዋ። ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ዩኒቨርሲትን ዝያዳ ውህደት ክህሉን ናይ ጸዓዱ ልዕልና ክለዝብን ተስፋ ናይ ዝነበሮም ተባዓትን ትስፉዋትን ሰብኡትን ኣንስትን ዛንታ ጸሓፈት። ነቶም ብጸዓዱ ጋዜጠኛታት ዝተጻሕፉ ዛንታታት ከተንብብ እንከላ፡ ጸለምቲ ከም ፈራሓትን ነብሰ ምትእምማን ዘይብሎምን ገይሮም ይርእይዎ ነይሮም። \"ኣነ ግን ከምኡ ኣይኰንኩን ረኺበዮም\" ትብል። ኣብ ሚሲሲፒ ንስራሕ ምስ ከደት ኣብቲ ናይ ጸዓዱ ሆቴላት ኽትሓድር ስለ ዘይተፈቕደላ ኣብቲ ናይ ጸለምቲ ሬሳታት ዝጸንሓሉ ቦታ ምስ ምውታት ሓዲራ። \"ነቲ ዝደልዮ ዛንታ ንኽረክብ ምስ ምዉታት እየ ዝድቅስ ነይረ። ስራሕካ ንከተስልጥ ከምኡ ኢኻ ክትገብር ዘሎካ\" ትብል ። ዶረቲ ሳልሳይ ቖልዓ ምስ ወለደት ኣብ መፋርቕ 1960 ካብ ዋሽንግተን ፖስት ወጸት። ፈለማ ፍርቂ ካብ ግዜኣ ጥራሕ ንኽትስረሕ ደፋፊኦማ። ዳሕራይ ግን ንቝሩብ ግዜ፡ ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ መዓልቲ ክትሰርሕ ተፈቕደላ። ብ1972 ግን ኣብቲ እትፈትዎ ናይ ስታይል (ኣከዳድና) ዓምዲ ከም ተሓጋጋዚት ኣሰናዳኢት ተቖጽረት። \"ብዛዕባ ናይ ጸለምቲ ባህሊ ብዝያዳ ክንዛረብ ብምኽኣልና ናይ ብሓቂ ዘሐጕስ ነይሩ፤ ምኽንያቱ ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ጸዓዱ ብዘይካ እቲ ምስ ገረድቶም ወይ ዓሻኽሮም ዝዛረቡዎ ካልእ ዝፈልጡዎ ኣይነበሮምን። እቲ ቀንዲ ነጥቢ ከኣ፡ ነቲ ናይ ጸለምቲ ባህሊ ምፍላጥን ምዝርጋሕን እዩ ነይሩ\" ትብል። ኣብቲ እዋን እቲ ዶረቲ፡ ብዛዕባ ጸሊም ተመክሮ ክጽሕፉ ዝኽእሉ ጋዜጠኛታት ክትቆጽር ኪኢላ እያ። ድሕሪኡ ብ1979 ኣዳላዊት ዓምዲ ኰነት'ሞ ኣብ ትምህርቲ፣ ፖለቲካን ዓሌትን ብምትኳር ን19 ዓመታት ስረሐት። ብ2003 ከኣ ጡረታ ወጽአት። ኣብቲ ናይ 50 ዓመት ናይ ጋዜጠኝነት ሞያኣ ዶረቲ ኩሉ ሳዕ መሪሕ ናይ ብዙሕነት እያ ነይራ። ዶረቲ ፕረዚደንት ሃገራዊ ማሕበር ብላክ ጆርናላትን ንሳ ዝመስረተቶን ኣባል ቦርድ ኮይና ዝመርሓቶን ንኣሽሓት ሰባት ዝተፈላለዩ ዓሌታት ዓውደ ጋዜጠኛታት ዘምሃረን ዘሰልጠነን ቤት ትምህርቲ መሪሕ እያ። \" ንሓደ ዛንታ ብዓይኒ ሓደ ጕጅለ ሰባት ጥራይ ትጽሕፎ እንተኼንካ ዝተማልአ ሓቀኛ ዛንታ ክትነግሮ ኣይትኽእልን ኢኻ። ንዓለም ብዝተፈላለየ ዓይኒ ዝርእይዋ ሰባት እንተዘይሃልዮም ዝተማልአ ስእሊ ኣይህልወካን እዩ\" ትብል። ዶሮቲ በትለር ጊልያም፡ ደራሲት ትሮልማዘርን፡ ንመራኸቢ ብዙሃን ኣመሪካ መልክዕ ኣመሪካ ንክህልዎ ዝጸዓረት ፈላሚት ጆርናል ተቓላሲት እያ። ብ1968 ናይ ብሪጣንያ ቲቪ ነታ ናይ መጀመርታ ጸላም ጓለንስተይቲ ጋዜጠኛ ምስ ቖጸረ፡ ብዙሓት ተዓዘብቲ ተሪር ተቓውሞ ስለ ዝገብሩ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ካብ ስርሓ ተሰጎት። ድሕሪ ፍርቂ ዘመን ግን፡ ኣብ ብሪጣንያ ሽልማት ጆርናል ንኽብራ ተሰይሙ ኣሎ። ባርባራ ብሌክ ሃና ንድሕሪት ምልስ ኢላ ነቲ ዘጋጠማ ክትርእዮ እንከላ እታ ሃገር ኣብ ልዕሌኣ ዝገበሮ ነገር ከመይ ኮን ይስምዓ ይኸውን?","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58572761"} {"headline":"ሓያሎ ጥንታዊ ቅርሲታት ኢትዮጵያ ኣብ ድህረ ገጻት ሕሱር ዋጋ ንመሸጣ ቀሪቦም","content":"ሓያሎ ቅርሲታት ኢትዮጵያ ኣብ ከም ኢቤይን ኣማዞንን ዝበሉ ናይ ኢንተርነት መርበባት ዕዳጋ ንመሸጣ ቀሪቦም። እዞም ካብ ኢትኦጵያ ዝተወሰዱ ከምዝኾኑ ዝተገለጹ ቅርሲታት ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ ኣብ ናይ ዕዳጋ ድህረ ገጻት ሕሱር ብዝበሃል ዋጋ ይሽየጡ ከምዘለዉ መራኸብቲ ብዙሃን ዓለም ይጽብጽቡ ኣለዉ። ካብዚኦም እቶም ዝበዝሑ ኢቤይ ኣብ ዝተባህለ ድህረ ገጽ ተዘርጊሖም ይረኣዩ። ሃንደበት ኣብዚ እዋን ብዙሓት ቅርሲታት ናብ ዕዳጋ ምውጸኦም፡ ምናልባት ኣብ እዋን ኲናት ካብ ትግራይ ዝተሰረቑ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ጥርጣረ ኣልዒሉ ኣሎ። ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ፡ ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ኣካላት ኣብ ማእከላት ሃይማኖት እስልምናን ክርስትናን መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ተገሊጹ ምንባሩ ይፍለጥ። ብተወሳኺ ጥንታዊ ቅርስታት ከምዝተዘረፉ እውን ተሓቢሩ ነይሩ። ኣብዚ ጉዳይ ቢቢሲ ካብ በዓል ስልጣን መጽናዕትን ሓለዋን ቅርሲ ፌደራል መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ንግዚኡ ኣይሰመረን። ኣብዚ ዛዕባ ቢቢሲ ኒውስደይ ዘዘራረቦ ተመራማሪ ቋንቋ ታሪኽን ምሩቕ ዶከተር ዩኒቨርሲቲ ሃምቡርግን ሓጎስ ኣብርሃ ኣብ እዋን እቲ ኲናት \"ካብ ብዙሓት ገዳማትን ኣብያተ ክርስትያናትን ትግራይ ቅርሲታት ከምዝተዘረፉ ኣረጋጊጸ እየ\" ይብል። ካብቶም ዝተዘረፉ ቅርሲታት ገሊኦም ጥንታውን ኣብ ካልእ ዘይርከቡን ከምዝኾኑ ዝገለጸ ዶ\/ር ሓጎስ፡ እቶም ቅርሲታት ዝሽየጡሉ ዘለዉ ዋጋ ኣዝዩ ሕሳር ዝበሃል ከምዝኾነ ተዛሪቡ። ኣብዚ እዋን ብኸመይ ተዘሪፎም ካብ ሃገር ክወጹ ከምዝኸኣሉ ምፍላጥ ኣጸጋሚኳ እንተኾነ፡ ብሱዳንን ኬንያን ኣቢሎም ወጺኦም ክኾኑ ከምዝኽእሉ እውን ግምቱ ኣቐሚጡ። ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ኣዋርሕ ብዙሓት ካብ ኢትኦጵያ ዝተወሰዱ ቅርሲታት ኣብ ድህረ ገጽ 'ኢቤይ' ካብ ዘቕረቡ ትካላት ሓደ ዎርለይ ኢንተርፕራይዝስ ኢንተርናሽናል ኤልኤልሲ (Worley Enterprises International LLC) እዩ። እዚ ሸያጣይ ናብ ዕዳጋ ካብ ዘቕረቦም ጥንታውያን ቅርሲታት ሓደ ካብ 15 ክሳብ 17 ክፍለ ዘበን ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ብኢድ ዝተጽሓፈ ሃይማኖታዊ መጽሓፍ ይርከቦም። እቲ ኣብ ቆርበት እንስሳታት (ብራና) ዝተጽሓፈ መጽሓፍ ብ12 ጥሪ 2014 ዓ\/ም ብ240 ዶላር ኣመሪካ ንመሸጣ ቀሪቡ። ካልእ ካብ 15 ክሳብ 16 ክፍለ ዘበን ኣብ ዘሎ እዋን ተጻሒፉ ክኸውን ከምዝኽእል ዝግመት መጽሓፍ ብተመሳሳሊ ብ1250 ዶላር ኣመሪካ ኣብቲ ድህረ ገጽ ንመሸጣ ቀሪቡ። ኣብ ከም ኢቤይ ዝበሉ ናይ ኢንተርነት ዕዳጋታት ውልቀ ሰባት ተመዝጊቦም፡ ፎቶን መግለጽን ኣተሓሒዞም ኣቑሑት ንመሸጣ የቕርቡ። ዎርለይ ኢንተርፕራይዝ ኢንተርናሽናል ኤልኤልሲ ዘቕረቦም ካብ ኢትዮጵያ ዝወጹ ቅርሲታት \" ምኢቲ ካብ ምኢቲ ሓቀኛ\" ምዃኖም ብምግላጽ፡ ነቶም ገዛእቲ \"እዚ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ከየምልጠኩም\" እናበለ ክገዝኡ ይደፋፍኦም። እቲ ትካል፡ ሰባት ነዞም ጥንታዊ ቅርሲታት ክሸጠሎም ምስሃብዎ ናብ ዕዳጋ ከምዘቕርቦም ኣብ መግለጺ እቶም ዝሸጦም ቅርሲታት ይሕብር። ካብዚ ብተወሳኺ ባዕሉ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ካብ ዝኣከቦም፡ ወይ እውን ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ገዚኡ ኣብ ኢቤይ ከምዝሸጦም ይገልጽ። እቲ 15 ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ሓድሕድ ኲናት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሓድግታት ካብ ዘብጸሖ ጉድኣት ብተወሳኺ ከቢድ ዕንወትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ፈጢሩ እዩ። ዛጊድ ብልክዕኳ እንተዘይተፈለጠ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ከምዝሞቱን ሚልዮናት ከምዝተፈናቐሉን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። ብተወሳኺ ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተጀሚሩ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝተጋፈሐ ኲናት ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንጥምየት ዝተቓልዑ ኮይኖም ኣስታት 10 ሚልዮን ተጸበይቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝኾኑ እቲ ትካል ኣመልኪቱ። ነቶም ተጻባእቲ ወገናት ናብ ዘተ ሰላም ንምምላስ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ተስፋ ከምዝተረኸቦ እዮም ላዕለዎት መራሕቲ ሕቡራት ሃገራት ዝገልጹ ዘለዉ። እንተኾነ ሕዚ እውን ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ክልል ዓፋርን ትግራይን ኲናት ቀጺሉ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60334969"} {"headline":"ብዛዕባ ፍትሕ ሓዳርን ምንካይ ክብደትን ዝተዘራረባ ኣድልን ኦፕራን","content":"ድምጻዊት ኣድል ሓዳራ ብምፍትሓ \"ከም ዝሓፈረት\" ምስ ኦፕራ ዊንፍረይ ኣብ ዝነበራ ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ ተዛሪባ። እዛ ህብብቲ ድምጻዊት፡ ብ2018 ዓ.ም ምስ በዓል ቤታ ሲሞን ኮኔኪ ክትፈላለ እንከላ ሓዳር ዝበሃል ነገር \"ናይ ሕስረት\" ስምዒት ከም ዝፈጠረላ ትዛረብ። ድሕሪ ፍትሕ ሓዳራ \"ከቢድ ጭንቀት\" ከም ዘጥቅዓን ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ልዕሊ 45 ኪሎ ግራም ከም ዝነከየት ትገልጽ። ኣቡኣ ገና ቖልዓ ክልተ ዓመት እናሃለወት ካብ ሓዳሩ ዝተፈላለየ ብምዃኑ፡ ኣድል \"ካብ ቑልዕነተይ ጀሚረ ኣብ ሓዳር ቖልዑ ክህልውኒ እንከለው ኣይፈላለን ይብል ነይረ። ስለ ዝኾነ ድማ እዚ ንከየጋጥም ንነዊሕ ግዜ ጽዒረ\" ትብል። ጓል 33 ዓመት ኣድል ኣብ መጽሄት ግሎሲ ናይ ሰብኣዊ መንነት [personality] ፈተና ምስ ወሰደት ሓዳራ ድልዱል ከም ዘይኮነ ክትፈልጥ ከም ዝኽኣለት ትዛረብ። ሓደ ካብቶም ሕቶታት \"ብዛዕባኺ ዋላ ሓደ ሰብ ፈጺሙ ክፈልጦ ዘይኽእል ነገር እንታይ'ዩ?\" ዝብል ኮይኑ፡ ንመሓዙታ \"ሕጉስቲ ኣይኮንኩን፤ ዘለኹዎ ናብራ ኣይኮነን - ስቕ ኢለ ሰለይ'የ ዝብል ዘለኹ\" ኢላቶም። ኩሎም ግን እንቅዓ እንቅዓ ካብ ምትንፋስ ሓሊፉ ካልእ ኣይሓገዙዋን። ሽዑ \"እንታይ እየ ዝገብር ዘለኩ?\" ኢለ ንነብሰይ ሓቲተ ትብል። ኣድልን በዓል ቤታ ሲሞንን ንሸሞንተ ዓመታት ብሓባር ጸኒሖም። እንተኾነ፡ ቅድም ኢላ ሓዳርን ምፍልላይን ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት [2018] ከም ዝተፈጸሙ ተዛሪባ ነይራ። ብጣዕሳ \"ሓዳር ኣቕሊለ ኣይርእዮን . . . [ሓዳረይ ምፍትሐይ ክኣ] ዘይፈልጥ ይመስል\" ዝበለት ኣድል፡ ነዚ እዩ ድማ \"ብምምርዓውን ቐልጢፈ ብምፍታሕን [ሓዳር] ዘሕሰርኩዎ መሲሉ ተሰሚዑኒ። ኩሉ ስለ ዝቐልጠፈ ሓፊረ\" ኢላ። ኣድል፡ ዋላ'ውን \"ኣብ ፍቕሪ\" እንተዘይሃለወት ሕጂ'ውን ንኮኔኪ ትፈትዎ'ያ። ክልቲኦም፡ ኣብ ሎስ ኣንጅለስ ማዕዶ ንማዕዶ'ዮም ዝነብሩ፤ ወዶም ኣንጄሎ ክኣ ብሓባር የዕብዩ ኣለው። ኣድል ህብብቲ ምስ ኾነት ኮኔኪ \"ህይወተይ ኣድሒኑዋ'ዩ\" ክትብል ተመስግኖ። \"ኣብቲ ግዜ፡ ንኡሽቶ ስለ ዝነበርኹ ኩሉ ነገር ክገብር ይኽእል ነይረ። ብቐሊሉ ናብ ዘየድሊ ኣንፈት ጥሒለ ብኹሉ ነገር ንባዕለይ ዘጥፍእ ሰብ ምኾንኩ ነይረ። ንሱ ናብ ህይወተይ ምስ መጽአ ግን ከምቲ ሽዑ እዋን ኣብ ህይወተይ ዝተረጋጋዕኹሉ ግዜ ኣይነበረን\" ትብል። ከም Hello ፣ Someone Like You ዝበሉ ሙዚቃታት ኣድል፡ ልቢ ሚሊዮናት ተንኪፎም'ዮም። ንሳ ግን ሓይሊ ስራሕታ ንርእሳ'ውን ሚስጢር ከም ዝኾና ተዛሪባ። \"ከም ሰብ፡ ደርፍታተይ ዘሎዎም ነገር ኣለኒ'ዩ ኢለ ኣይሓስብን። ናቱ ሓይሊ [ሙዚቃ] ካብ ዝኾነ ቦታ'የ ዝስሕቦ ይመስለኒ፤ ግን ከመይ ኣቢለ ይረኽቦ ዝብል ኣይፈልጥን። ምኽንያቱ ኣብ ናይ ግሃድ ህይወጠይ ከምኡ'የ ኢለ ኣይሓስብን\" ብምባል እናስሓቐት ተውግዕ። ኣብቶም ግጥምታት 'ስለ ምንታይ ናይ ውልቂ ዝኾኑ ሓበሬታታት ኣካቲትኺ?' ተባሂላ ተሓቲታ። ንሳ ድማ፡ ተመሳሳሊ ናይ ህይወት ተሞኩሮ ንዝሓልፉ ዘለው ሰባት ክትገልጽ ካብ ምድላይ ዝነቅል ምዃኑ ኣብሪሃ። \"ሙዚቃ ኣብ ብዙሕ ኩነታት ሓጊዙኒ'ዩ፤ ስለዚ ኻልኦት ሰባት'ውን በይኖም ከም ዘይኮኑ ብምርኣይ ብተመሳሳሊ ክሕገዙ እየ ዝደሊ\"። ወሲኻ፡ \"ሓሓሊፉ ክጽሕፎም ከለኹ ወይ'ውን ተመሊሰ እንትሰምዖም 'እዚ'ኮ ኣመና ናይ ውልቂ ጉዳይ ኣለዎ' ኢለ ይግረም። ግን ክኣ ዋላ ሓደ ካብቲ ንዝሓለፉ ክልተ ወይ ሰለስተ ዓመታት ገዛ ዓጽየ ዘሕለፍኹዎ ንላዕሊ ዘፍርሕ የለን። ስለዚ ኣይፈርሕን' ኢላ። ኣድልን ኦፕራ ዊንፍረይን ብዙሓት ውልቃዊ ጉዳያት ኣልዒለን'የን ኣውጊዐን። እታ ስነ ጥበባዊት ኣብ ህይወታ እቲ \"ዝዓበየ ሰበላ\" ዝገደፈላ ነገር ንኦፕራ ክትነግራ እንከላ ኣቡኣ ማርክ ኢቫንስ ቖልዓ እንከላ \"ዳርጋ ኣይነበረን፤ ጻዕሪ'ውን ኣይገበረን\" ኢላ። 'ካብ ዋላ ሓደ ሰብ ተጸብየ ኣይፈልጥን፤ ምኽንያቱ ካብ ኣቦይ ስለ ዝተምሃርኹ። ንሱ ምስ ዝኾነ ሰብ ኣብ ብጣዕሚ ጥዑም ፍቕራዊ ዝምድና ንክትህሉ ዘኽእል ነገር ንኸይረክብ ምኽንያት'ዩ\" ትብል። እንተኾነ፡ ዋላ'ውን ንዓመታት ተራኺቦም ዘይፈልጡ እንተኾኑ ኢቫንስ ብጽኑዕ ምስ ሓመመ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ተዓሪቖም'ዮም። ኣብቲ እዋን፡ ነታ ናይ መጀመርታ ስርሓ ዝኾነት Hometown Glory እትሰምየት ደርፊ ጥራይ ይሰምዕ ከም ዝነበረ ነጊሩዋ። \"ካልኦት ሙዚቃታተይ ሰሚዑ ኣይፈልጥን። 'ብጣዕሚ ዘሕምም'ዩ ይብል ነይሩ' \"ኢላ። ንሳ ግን፡ ካብቶም ሕጂ ዝሰርሐቶም ደርፍታት ሓደ ዝኾነ To Be Loved ዝተሰምየት ኣቡኣ ኣብ ህይወታ ዘይምንባሩ ብኸመይ ኣብ ሰባት እምነት ከይተሕድር ከም ዝሃሰያ እትገልጽ ሙዚቃ ንዕኡ ሰሪሓ ኣላ። \"ንዓይን ንዕኡን ጽቡቕ'ዩ፤ ክደርፍ ከለኹ ክሰምዕ'ዩ ኢለ ይግምት\" ትብል። ኣብ መወዳእታ ድማ ብሚያዚያ ቅድሚ ምሟቱ ብዙም እቲ ሓድሽ ናይ ሙዚቃ ኣልበማ ደሪፋትሉ። \"ንዓይ ብሉጻት ዝኾና ደርፍታት ንዕኡ'ውን ብሉጻት ነይረን፤ ይገርመኒ'ዩ። ክርእየኒ ከሎ ክኣ ብኣይ ሕቡን ነይሩ\" ክትብል ንኦፕራ ኣውጊዓታ። ስለ ዝኾነ ድማ \"እዚ ኹሉ ፈውሲ ኮይኑኒ'ዩ፤ ክመውት ከሎ ኽኣ እቲ ዝነበረ በሰላ ሓውዩ\" ኢላ። ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፡ ኣድል ኣዘራራቢት ኮይና እያ። ኣብዞም ዓመታት 45 ኪሎ ግራም ነክያ። እዚ ነቲ ዘጋጠማ \"ጭንቀት\" ንምቁጽጻር ዝገበረቶ ምዃኑ ትዛረብ። \"ካብ ሓዳረይ ምስ ተፋታሕኹ ኣዝዩ ዘፍርሕ ጭንቀት እዩ ኣጋጢሙኒ። ሙሉእ ንሙሉእ ኣልሚሱኒ፤ ሰብነተይ ክቆጻጸሮ ስለ ዘይኽኣልኩ ድማ ተደናጊረ\" ክትብል ተብርህ። ናብ ጂም ብምኻድ እቲ ዝነበራ መጠን ጭንቀት ክንኪ ምስርኣየት ድማ ናይ መዓልታዊ ንጥፈታ ገይራ ወሲዳቶ። \"እዚ ድማ ርእሰይ ንክስተኻኸል ሓጊዙኒ'ዩ\"። ኣብ ሞንጎ እዚ፡ ዊንፍረይ ናይ ባዕላ ተሞኩሮ ምንካይ ክብደት ኣልዒላ ሰባት በዚ \"ሓሪቖም\" ከምኡ'ውን \"ራሕሪሖምኒ\" ክትብል ተዛሪባ። ኣድል'ውን ተመሳሳሊ ርኢይቶታት ትሰምዕ ከም ዝነበረት ገሊጻ። \"ኣነ ግን ሰብነተይ ብምንካዩ ኣይሰንበድኩን፤ ሰባት ብዛዕባ ሰብነቶም እንታይ ይሓስቡ ዝብል ምርግጋጽ ክኣ ናተይ ስራሕ ኣይኮነን። ኣነ ናይ ባዕለይ ህይወት ከዐሪ'የ ዝፍትን ዘለኹ፤ ካልእ ጭንቂ ክውስኽ ኣይደልን\" ኢላ። Hold On፡ \"ሃገራዊ መዝሙር\" ክኸውን ዝኽእል ደርፋ 30፡ ናይቲ ሓድሽ ኣልበም መጸውዒ እዩ። I Drink Wine, Love Is A Game ከምኡ'ውን Hold On ደርፍታት ኣብዚ ኣልበም ተኻቲቶም ኣለው። \"I'm such a mess \/ The harder that I try, I regress \/ I am my own worst enemy \/ Right now I truly hate being me\" ካብ ተለላታት Hold On እዮም። ኣድል፡ ምስ ተፋትሐት ዝነበራ ስምዒት እዚ ከም ዝነበረ ተዛሪባ። መሓዙታ ድማ \"Hold On\" ይብልኣ ነይረን። \"ኣነ ግን ነቲ ኩነታት ተቐቢለ ክስጉም ጻዕሪ ምግባር ይደኽመኒ ነይሩ፤ መስርሕ'ዩ - ናይ ፍትሕ መስርሕ፣ መስርሕ ንብሕትኻ ቖልዓ ምዕባይ፣ መስርሕ መዓልታዊ ውላድኻ ዘይምርኣይ እዩ ነይሩ\" ትብል። ቅድሚ እቲ ቃለ መጠይቕ፡ ኦፕራ እቲ ደርፊ፡ ኣብ መላእ ዓለም ምስ ዝተፈላለዩ ጸገማት ንዝገታገቱ ዘለው ሰባት \"ሃገራዊ መዝሙር\" ክኸውን ዝኽእል እዩ ኢላ ከም ዝሓሰበት ተዛሪባ። ንማዕኸን ዜና ሲቢኤስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ድማ \"እዚ ደርፊ ኣዝዩ ሙቁርን ሰርሳርን'ዩ\" ኢላ። ኣድል፡ ብ2018 ወዳ ኣንጄሎ ኣብ መበል ሓምሻይ ምርኢት ሙዚቃ ታይለር ስዊፍት ክዕደም ወሲዳቶ ነታ ኩለ መዳለዊት ስነ ጥበባዊት ምስ ርኣየ ሃኒኑ'ዩ። ሽዑ ቖልዓ ሽዱሽተ ዓመት ነይሩ። ኣብቲ ምርኢት ክዕደሙ ዝመጽኡ ሰባት ብዝሖም ምስ ርኣየ ግን ክኣምን ኣይክኣልለን። ኣድል እናስሓቐት \"ኣነ ኣብ ስታድየም ንዘቕርቦ ምርኢት ምድላው ክገብር ይመጽእ ነይሩ'ዩ፤ ሽዑ ጥርሑ ይርእዮም ስለ ዝነበረ በዚ ተገሪሙ\" ኢላ። ኣድል፡ ከም በዓል ኣመሪካዊት ድምጻዊት ሊዞ፣ ኢንግሊዛዊ ተዋሳእን ድምጻውን ጄምስ ኮርዴንን ተዋሳኢትን በዓልቲ ሞያ ቅዲ ፋሽንን ሜሊሳ ማክካርቲን ዝበሉ ፍሉጣት ድምጻውያን ዝተሳተፍሉ ናይ ሙዚቃ ምርኢት ኣብ ሎስ ኣንጅለስ ከተቕርብ እንከላ፡ ኣንጄሎ ንፈለማ እዋን ብቐጥታ ሙዚቃ ክተቕርብ ተዓዲሙ። ካብ ቀረባ እዋናት ናብዚ ድማ ሓቀኛ ናይ ኣዲኡ ህቡብነት ክርዳእ ክኢሉ'ዩ። \"ሓደ ግዜ Easy On Me ብቐጥታ ብዩትዩብ ምስ ተፈነወ፡ ዝከታተል ዝነበረ ብዝሒ ሰብ እናቖጸረ . . . 150,000 ሰባት ይጽበዩ ነይሮም። ዝውሃቡ ዝነበሩ ርኢይቶታት ኣንቢቡ ክኣ 'ብሓቂ ሰባት ይፈትውኺ'ዮም' ኢሉኒ። በዚ ብዙሕ ኣይኮነን ግን ቁሩብ ክርድኦ ጀሚሩ ኣሎ\" ኢላ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59218193"} {"headline":"ኤርትራ፡ ኣብ 2021 ካብ ዝዓረፉ 10 ሓለፍቲ መንግስትን ጸለውቲ ኤርትራውያንን","content":"ዓመተ 2021 ብተዛማዲ ከትረኣ እንከላ ብዙሓት ሓለፍቲ መንግስቲ ነበርን ጸለውቲ ኤርትራውያን ዝሞቱላ ዓመት ተባሂላ ክትጥቀስ እትኽእል ዓመት እያ። እዛ ዘፋነናያ ዓመተ 2021 ካብ መራሕቲ መንግስቲ ኤርትራ፡ ወተሃደራውያን ሓለፍቲ፡ ውሩያት ጋዜጠኛታት፡ ስነጥበባውያንን ስፖርተኛታትን ንኹሎም ብሞት ተናኺፋ እያ ሓሊፋ። 5 ብጽፍሒ ሓላፍነት መንግስቲ ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣምባሳደር ኤርትራ ኮይኑ ዝሰርሐ ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ 2 ሰነ 2021 ብሕማም ዓሪፉ። ኣብ 1945 ዝተወለደ ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ ኣብ 1981 ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ኾይኑ፡ ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ሃገራት ስዊድንን ቻይናን ከምኡ'ውን ኣብ ኮምሽን ቁጠባ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃን (UNECA) ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ቀዋሚ ወኪል ኤርትራ ኮይኑ ሰሪሑ። ኣምባሳደር ኣርኣያ ደሰታ ካብ 2014 ጀሚሩ ክሳብ ዕለተ ሞቱ፡ ቀዋሚ ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ኮምሽን ቁጠባ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃን ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ እዩ። ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ነበር: ገዲም ተጋዳላይ ብሪጋደር ጀነራል ነጋሽ ተስፋጼን ፡ ብ18 ሕዳር 2021 ኣብ መበል 84 ዓመት ዕድሚኡ ዓሪፉ። ጀነራል ነጋሽ ተስፋጼን፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ ኣብ ኣሃዱ ከቢድ ብረትን ክፍሊ ወተሃደራዊ ስልጠናን ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሓላፍነት፣ ካብ 1985 ክሳብ 1987 ከም ኣዛዚ ክፍሊ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ፣ ካብ 1987 ክሳብ ዕለተ ናጽነት ድማ ኣዛዚ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ኢብራሂም ዓፋ ኰይኑ ሰሪሑ። ድሕሪ ናጽነት፡ ጀነራል ነጋሽ፡ ኣዛዚ ቤት-ትምህርቲ መኰንናት፣ ኣባል ኮሚሽን ቅዋምን ምኽትል ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን፣ ካብ 2000 ክሳብ 2013 ከኣ ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኮይኑ ን44 ዓመታት ሰሪሑ። ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ኤርትራ ዝኸነ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ኣብ መፋርቅ ወርሒ ሕዳር'ዩ ኣብ መበል 74 ዓመቱ ኣብ ስዑድ ዓረብ ብሕማም ኮሮና ዓሪፉ። ሓደ ካብ መስረቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝኾነ ኣቶ ኣልኣሚን፡ ቅድሚን ድሕርን ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ጽፍሕታት ሓላፍነት ዘገልገለ'ዩ። ድሕሪ'ቲ ኣብ 1994 ኣብ ናቕፋ ዝተኻየደ 3ይ ውድባዊ ጉባኤ ከኣ ኣብ ትሕቲ ኣቦ መንበር ኮይኑ ዝተመረጸ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ላዕዋይ ሓላፊ ናይቲ ስሙ ካብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ናብ ህዝባዊ ግንባር ዲሞክራስያ ፍትሕን ዝቐየረ ውድብ ብምዃን ክሳብ ዕለተ ሕልፈቱ ክሰርሕ ጸኒሑ። ኣቶ ኣልኣሚን፡ ኣብ ከባቢ ዓመተ 2000 ኣብ መንጎ ላዕለዎት መራሕቲ መንግስትን ህግደፍን ምምቕቓል ምስ ተፈጥረ፡ ነቶም ብጉጅለ-15 ዝፍለጡ ብጾቱ ብምኹናን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝወገነ ምዃኑ ይፍለጥ። ሓደ ካብ መስረትቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ሓይልታትን ህዝባዊ ግንባርን ዝኾነ ገዲም ተጋዳላይ ሮሞዳን መሓመድ ኑር ኣብ መበል 83 ዓመቱ 29 ታሕሳስ 2021 ኣብ ሱዳን ዓሪፉ። እቲ ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብምዃን ንነዊሕ ዓመታት ዝመርሐ ኣቶ ሮሞዳን፡ ኣብ 1964 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ። ኣብ 1966 ኣብታ ኣብ ሰምሃርን ደንከል እትንቀሳቐስ ዝነበረት ራብዓይቲ ክፍሊ ከም ኮሚሽነር እታ ክፍሊ ኮይኑ ኣገልጊሉ። ኣብቲ እዋን እቲ ሰውራ ኤርትራ ኣብ ሓሙሽተ ክፍልታት ተወዲቡ እዩ ዝንቀሳቐስ ነይሩ። ኣብ 1967 ምስ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ካልኦት ተጋደልትን ፖለቲካውን ወተሃደራውን ትምህርቲ ክቐስሙ ናብ ቻይና ካብ ዝኸዱ ተጋደልቲ ሓደ ነበረ። ካብ ቻይና ምስተመልሰ እቲ ካብ ቃልሲ ኣልጀርያ ዝተቐድሐ ናይ ክፍልታት ምውድዳብ ዓሌታውን ሃይማኖታዊ ስምዒታትን ክፈጥርን ብግብሪ እውን ነቲ ቃልሲ ክዕንቅፎን ስለዝጀመረ ሓደ ካብቶም ንውህደት ዝደፍኡ ተቓለስቲ ነበረ። ኣብ 1970 ከኣ መራሒ ናይቶም ካብ ዓደን ብሸነኽ ደንከል ዝኣተው ቀዳማይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት ኮይኑ ቃልሱ ቀጺሉ። ኣብ ሓምለ 1971፡ ቀዳማይ ወገን ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ እምባህራ (ሃበሮ፡ ሰሜን ካብ ከረን) ኣቦመንበር ናይቲ ምግምማዕ ኣጋጢምዎ ዝነበረ ጉጅለ ኮነ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1973 ምስታ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ዝመርሓ ዝነበረ ካልኣይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት ምስ ሓበሩ ከኣ ኣባል መሪሕነት ኮይኑ ቀጺሉ። ኣብ ሰነ 1974 እዋን፡ ሓደ ብሓልታት ሓርነት ኤርትራ (ዑበል) ዝፍለጥ ፍንጫል ሓይሊ ምስ ክልቲኦም ወገናት ህዝባዊ ሓይልታት ተጸንበረ። ኣብ 1977 ሰለሰቲኦም ዝሰመሩ ወገናት ጉባኤ ብምክያድ ሓደ ውድብ መስረቱ- ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ)። ኣብቲ ዝተኻየደ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ህግሓኤ ከኣ ሮሞዳን ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈትን ዋና ጸሓፊን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኮይኑ ክምረጽ እንከሎ፡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከኣ ምክትሉ ኮይኑ። እንተኾነ እቲ ውድብ ንኣባላት ግንባር ብዘይግለጽ ሕቡእ ሰልፊ ይምራሕ ስለዝነበረ፡ ኣቦ መንበርን ሓላፍን እታ ሕብእቲ ሰልፊ ከኣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምንባሩ ሮሞዳን ብስም እምበር ብግብሪ መራሒ ናይቲ ውድብ ከምዘይነበረ ቀረባ ብጾቱ ይሕበሩ። ድሕሪ ናጽነት ላዕለዋይይ ሓላፊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ጨንፈር ፍትሒ፡ ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ደንከል ከምኡ'ውን ሚኒሰተር ፍትሒ ኮይኑ ክሳብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት 1994 ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ኣገልገለ። ኣብ 1994 ኣብ ናቅፋ ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ግን፡ ብገዛእ ፍቃዱ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ። ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ኣብ 1972 ዝተሰለፈ ገዲም ተጋዳላይ ይ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይ 2021 እዩ ዓሪፉ። ኣምባሳሰር ኣድሓኖም ኣብ 1987 ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይን ሓድነታውን ውድባዊ ጉባኤ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ኮይኑ ተመሪጹን ኣገልጊሉን። ኣብ 1989 ከኣ ካብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተሳሒቡ ንክፍሊ ንግድ እቲ ውድብ እናመርሐ፡ ኣብ 1991 ናጽነት ኤርትራ ክርኢ በቒዑ። ኣምባሳሰር ኣድሓኖም ካብ ዝስለፍ ኣትሒዙ ክሳብ ቅድሚ ናጽነት ዓመትን መንፍቕን ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት እዩ ኣገልጊሉ። ኣብቲ ዕረፍቲ ዘይነበሮ ኵናት ሓያሎ ሳዕ ተወጊኡ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ምድምሳስ ናደው እዝ ኣብ ኵናት ኣፍዓበት ምስ ኣዛዚ ግንባር ናቕፋ ተጋዳላይ ዓሊ ኢብሪሂም ብነፋሪት ተሃሪሙ። ዓሊ ኢብሪሂም ዓሪፉ፡ ኣድሓኖም ግን ተወጊኡ ተሪፉ። ብድሕሪኡ ከኣ'ዩ ንክፍሊ ንግድ ክመርሕ ናብ ካብ ግንባር ተሳሒቡ። ድሕሪ ናጽነት ቀዳማይ ኣኽባር ሕጊ ሃገረ ኤርትራ ኮይኑ ተመዚዙ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ምኒስትሪ ፍትሒ ብሞይኡ መሰረት ኣንቢሩ። ኣብ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ (1994) ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኮይኑ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ዝተገብረ ዳግመ ውደባ ከኣ ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ሰራየ ኣገልጊሉ። ኣብ 1996 ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ስዊድን፡ ብድሕሪኡ ከኣ ክሳብ ኣብ ኤርትራ ቅዋም ክትግበርን ሰላማዊ ደሞክራሲያዊ ምስግጋር ክካይድ ምስ ዝጠለቡ ብጉጅለ-15 ዝጽውዑ ብጾቱ ናብ ህዝብን ሰራዊትን ቅሉዕ ደብዳበ ብምጽሓፍ፡ ዝነበሮ መዝነት ገዲፉ፡ ምእንቲ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ ቃልሱ ብምቕጻል ድምጺ ናይቶም ኣብ ሸላታት ዒላዒሮ ተኣሲሮም ዘለው ጋዜጠኛታትን ሰበ ስልጣን መንግስትን ኮይኒ ጽሒፉን ተጣቢቑን። 5 ውሩያት ኤርትራውያን ድምጻዊ ተኽለንኪኤል ገብሩ ዉሩይን ሓደ ካብ ገዳይምን ኤርትራውያን ድምጻውያን ዝኾነ ተኽለንኪኤል ገብሩ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ'ዩ ብሕማም ዓሪፉ። ተኽሊንኪኤል ገብሩ ካብ ኣቡኡ ገብሩ ወልደጋብርን ወላዲቱ ደሃብ ገብረዮውሃንስን ኣብ 1950 ኣብታ ብዜምኡ ዝነገረላ ዓዱ ዑናናላይ ተወሊዱ። ገና ኣብ ንእስነቱ ኣቡኡ ስለዝሞቱዎ ኣብ ካልኣይ ክፍሊ ትምህርቱ ኣቋሪጹ፡ ንነብሱን ወላዲቱን ክጥዉር፡ ኣብ ኣቑርደት ኣብ ጀርዲን ሰሪሑ። ካብኡ ኣብ እንዳ ክርቢት ኣስመራ እናሰርሐ ክራር መሊኹ፡ ኣብ ውሽጡ ንጸንሐ ስነ ጥበባዊ ተውህብኡ ኣብ እንዳ ስዋታት ኣባሻውል ኣበራቢሩ ኣብ ጓይላን ዉራይትን ክጻወት ከም ዝጀመረ ናይ ቀረባ ፈለጥቱን ኣብ ፋንዎኡ ዝተነበ ዛንታን የረድእ። ተኽሊንኪኤል ገብሩ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ሃገራዊ ደርፍታት ዘፍረየ ድመጻዊ እዩ። ሚልክያስ ምሕረትኣብ፡ ሓደ ካብ ኣሰናዳእቲ እተን ኣብ 1996 ብዝተኣወጀ ሃገራዊ ሕጊ ፕረስ ቆይመን፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ከሕድራ ጀሚረን ዝነበራ'ሞ ርእይቶን ሓሳብን ደለይቲ ለውጢ ፖለቲከኛታት ኣብ ዓምድታተን ስለዘአንገዳ፡ ኣብ መስከረም 2001 ዝተዓጽዋ ጋዜጣታት ብሕቲ እዩ። ኣካያዲ ጋዜጣ ቀስተ ደበና ነበር ጋዜጠኛ ሚልክያስ ምሕረትኣብ ከኣ፡ ነቲ ዝስዕብ ዝነበረ ኩነታት ቀልጢፉ ስለዘንበቦ፡ ቀቅድሚ መሳርሕቱን ብጾቱን ምእሳሮም ኣብ 2001፡ ካብ ሃድን ማእሰርቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣምሊጡ ኣብ ኣመሪካ ተሰዲዱ ክነብር ጸኒሑ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ከኣ ብዝሓደሮ ሕማም፡ ኣብ ሆስፒታል ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ ረቡዕ 21 መጋቢት 2021 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዓሪፉ ብ28 መጋቢት ከኣ ወለዱን አሕዋቱን ኣብ ዝነብርሉ ዘለው ኣዲስ ኣበባ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ። ኣብ ባሕቲ ግንቦት 2021 ብሃንደበታዊ ሕማም ዝተኾልፈ መስራትን ኣዳላውን ናይታ ፈላሚት ኤርትራዊት ጋዜጣ ብሕቲ \"ሰቲት\" ነበር ኣሮን ብርሃነ ኣብ ዓመተ 2021 ካብ ዝዓረፉ ዉሩያት ጋዜጠኛታት እዩ። ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ኣሮን ብርሃነ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ተቓሊሱ፡ ሰለስተ ኣባጽሕ አሕዋቱ ከፊሉ ምስ ዝተረፉ አሕዋቱን ወለዱን ኣብ 1991 ናጽነት ክርኢ በቒዑ። ኣሮን ብርሃነ ናይ ዘተን ልዝብን መድረኽ ዝኸፍት ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ኣገዳሲ እዩ ስለዝበለ ብዓቕሞ ዝኽእሎ መጽናዕቲ ብምክያድ ብ1996 ሕጊ ፕረስ ምስተኣወጀ ቀዳመይቲ ነጻ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ሰቲት መስሪቱ ንሓርነታዊ መሰል ዜጋታት ክቃለስ ጀሚሩ። እተን ዝበዝሓ ኣብ ጽንኩር እዋን ኩናት ዶባት ዝተወልዳ ጋዜጣታት ብሕቲ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ብጾቱን ብዝተኸስተ ናይ ደሞክራሲያዊ ሕቶን ለውጥን ምኽንያት እተን ጋዜጣታት ርእይቶ ናይቶም ኣብ ጋዜጣታት መንግስቲ ርእይተኦም ከይቃላሕ ዝተነፍጉ ነቐፍቲ መራሕቲ ስለዘአንገዳ ብሰሉስ 18 መስከረም 2001 ብወግዒ ተኣጊደን ኣባላተን ከኣ ክእሰሩን ክህደኑን ጀሚሮም። ኣይደንጎየን ከኣ መንግስቲ ንኣሰናዳእቲ እተን ጋዜጣታት ክኣስሮም ምስ ጀመረ ኣብ ዶብ ብጠያይት አሕዋቱ ተሳሒቱ ንሱዳን ኣትዩ። ካብኡ ንካናዳ ኣትዩ ኣብቲ ንሓርነት ዝግበር ቃልሲ፡ ፊተ መሪሕ ኮይኑ ክዋሳእ ከምዝጸንሐ ኣብ ሓያሎ መደባት ሓቢራቶ ዝሰርሐት ተቓላሲት ሰብኣዊ መሰላት ኣካያዲት ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኤልሳ ጭሩም ትሕብር። ኣሮን ኣብ ከናዳ ድሕሪ ምእታው ደኺመ ከይበለ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቶሮንቶ፡ ካብ 2003-2004 ኣባል ክፍሊ ጋዜጠኝነት፣ ካብ 2005-2006 ኣብ ጆርጅ ብራውን ኮሌጅ ኣብ 'ምትሕብባር ፍሉይ ፕሮጀትታት'ን መምህርን ኰይኑ ሰርሐ። ጋዜጠኛ ኣሮን ሓያለ ኣህጕራዊ ሽልማትን ኣፍልጦን ከምዝረኸበን፡ ካብ 2005-2006 ኣብ ሸሪዳን ኮሌጅ ተሓጋጋዚ ምርምር፣ ካብ 2015 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ርየርሰን ከም ተሓጋጋዚ ምርምር፣ ካብ 2016 ኣትሒዙ ከኣ ኣብ ክፍሊ Liberal Art & Science ኮሌጅ ጆርጅ ብራውን፡ መምህር [ፕሮፈሰር] ኰይኑ ክሰርሕ ጸንሐ። በቲ ንሱ ዝገብሮ ዝነበረ ኣበርክቶ ድማ ኣብ 2009 ካብ ኢድ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ነበር ስቲፈን ሃርፐር፡ ሽልማት ክወስድ ዝበቕዐ፡ ዕውት በዓል ሞያ እዩ ነይሩ። ኣብ ነሓሰ 1968 ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ደብረ ዘይት ተወሊዱ ዝዓበየ ውሩይ ጋዜጠኛን ደራስን ተስፋዬ ገብረኣብ ብዝሓደሮ ውሽጣዊ ሕማም ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ ሆስፒታል ኣጋካን ክሕከም ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መበል 53 ዓመቱ 24 ታሕሳስ ዓሪፉ። ክሳብ እዛ ብሕማም ዝዓረፈላ ልዕሊ ዓሰርተ መጻሕፍትን ብዙሕ ዓንቀጻትን ዝጸሓፈ ብፍሉይ ኣዘናትውኡን ቅዲ ኣጸሓሕፋኡን ዝፍለጥ ተስፋዬ ምስጉንን ተነቃፍን ጸሓፋይ እዩ ነይሩ። ብዝነበሮ ፍቕሪ ስነ-ጽሑፍ ኣብ 1988 ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቱ ምስ ዛዘመ፡ ናይ ዓውደ ኵናት ትምህርቲ ጋዜጠኝነት ወሲዱ፡ ምስ ሰራዊት ደርጊ ተሰሊፉ ጋዜጠኛ ዓውደ ኵናት ኮይኑ እናሰርሐ ብሰራዊት ኢህወደግ ከምእተማረኸ ንድሕረ ባይትኡ ኣብ ዝነግር ባዕሉ ዝጸሓፎ ዛንታ ተሰኒዱ ኣሎ። ተስፋዬ ገብረኣብ ካብ ዘሕተመን መጻሕፍቲ መጻሕፍቲ እተን ኣዝየን ኣዘራረብቲ እዘን ዝስዕባ ይርከበአን። ኤርትራዊት ፕሮፌሽናል ተቐዳዳሚት ብሽክለታ ደሴት ኪዳነ 9 ሕዳር ኣብ ስዓታት ናይ ንግሆ ኣብ መንገዲ ማይ ነፍሒ ኣብ እዋን ልምምድ ብዘጋጠማ ሓደጋ መኪና ዓሪፋ። 10 ጥቅምቲ 2000 ዝተወለደት ፕሮፈሽናል ተቐዳዳሚት ደሲት ኪዳን፡ ካብ 2019 ጀሚራ ኣብ ናይ ዩሲኣይ ጋንታ ተጠርኒፋ ንውልቃን ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ዓበይቲ ዓወታት ከተመዝግብ ዝጸንሐት ተቀዳዳሚት እያ። ጓል 21 ዓመት ደሲት ኪዳነ፡ ኣብ 2018 ርዋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ኣፍሪካን ኮንቲነንታል ቻምፕዮን ሺፕ ብናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድርን ናይ ጽርግያ ውድድር ብናይ ጁኔርን ሲነርን ተሸላሚት ወርቂ መዳልያ ኮይና እያ። ኣብ 2019 ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ባህርዳር ኣብ ዝተኻየደ ኣፍሪካን ኮንቲነታል ቻምፕዮን ሺፕ · ኣብ ናይ ጽርግያ ውድድር ኣብ ናይ ጁንየር ቀዳማይቲ · ኣብ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር ካልኣይቲ · ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ሳልሰይቲ ኮይና ውድድራ ብምዝዛም ኤርትራ ዝበዝሐ ሜዳልያታት ሒዛ ውድድራ ክትዛዝም ዓቢ ተራ ተጻዊታ። ንሳ፡ ኣብ 25 መስከረም 2021 ኣብ ቤልጅም ኣብ ዝተኻየድ መበል 94 ቻምፕዮን ዓለም ምስ ኣድያም ተስፋኣለም፣ ብስራት ገብረመስቀልን ብምዃን ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብምውካል ኣብቲ ዓቢ ውድድር ክትሳተፍ ክኢላ እያ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59856689"} {"headline":"ኣብ ዓመተ 2021 ኣብ ኤርትራ ካብ ዝተራእዩ ቀንዲ ምዕባለታት","content":"ሎሚ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን ዓመተ 2021 ዛዚምና ንዓመተ 2022 ኣሃዱ ኢልና ጀሚርና ኣሎና። ንምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ 365 መዓልታት ኣብ ኤርትራ ዝተርኣዩ ከይተጠቐሱ ክሕለፉ ዘይብሎም ጉዳያት እንታይ ይመስሉ? ጥሪ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹ፡ ንፈለማ እዋን ኣመሪካ ጸዊዓ- ሰራዊት ኤርትራ ንሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምድጋፍ'ዮም ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ይዋግኡ ነይሮም። ሃለዋት ናይቶም ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተቐርቀሩ ኣስታት 100 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሻቕሎት ከምዝፈጠረሉ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳታት ቪዛ ሰሪዙ። እቲ እገዳታት ብፕረዚደንት ነበር ዶናል ትራምፕ ዝወጸ'ዩ ነይሩ። ለካቲት ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ኩነታት ኢትዮጵያ 'ግቡእና ነበርክት ኣለና' ክብል ተዛሪቡ። ኣብቲ እዋን ኤርትራ ምትእትታው ሓይልታታ ኣብ ኲናት ትግራይ ኣይተኣመነትን ነይራ። ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ትግራይ ከተውጽእ ጸዊዑ። ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ኣብ ኣመሪካ ዓሪፉ። ንሱ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ፡ ኣዛዚ ክፍለሰራዊት ዝነበረ ምዃኑ ይፍለጥ። ሓደ ካብቶም ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝነቐፉ ብጉጅለ-15 ዝፍለጡ ላዕለዎት መራሕቲ ኮይኑ፡ ኣብ ስደት ተቓውሞታት ይቕጽል ምንባሩ ይፍለጥ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብ26 ለካቲት አብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ዝተሳተፉ ወተሃደራት ኤርትራ: ኣብ መወዳእታ ሕዳር ኣብ ጥንታዊት ከተማ ኣክሱም ብምእታው: ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝቐተሉ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ከምዝሓበርዎ ገሊጹ'ሎ። ኤርትራ ብወገና፡ \"ኣብ ልዕሊኣ ብኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝቐረበ ዘይመስል ክስታት ብቑጠዐን ብትርን ትነጽጎ\" ክብል ሚኒስተር ዜና ገሊጹ ነይሩ። መጋቢት ኣብ ትግራይ ዝነበራ ክልተ መዓስከራት ስደተኛታት 'ምሉእ ብምሉእ' ከምዝዓነዋ ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ። ኣብ መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ዝነበሩ ስደተኛታት ብሰንኪ'ቲ ኲናት ተበታቲኖም፡ ገለ ናብ ኤርትራ ተወሲዶም፡ ገለ ናብተን ካልኦት መዓስከራት ተጸንቢሮም፡ ገሊኦም ድማ ናበይ ከምዝኣተዉ ኣይተፈልጠን። ዝተቐትሉ ከምዝነበሩ'ውን ይግለጽ። ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ጃምላዊ ቅትለት ከምዝፈጸሙ ሁዩማን ራይትስ ዎችን ዝተባህለ ተጣበቕቲ መሰላት ከሲሶም። ኤርትራ ግን ነቲ ክስታት ክትነጽጎ'ያ ጸኒሓ። ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዶባት ዝርከቡ ቦታታት ኢትዮጵያ ተቖጻጺሩ ከምዝነበረ ንፈለማ እዋን ዝተኣመን ቀዳማይ ሚስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኤርትራ ሓይልታታ ከተውጽእ ከምዝተሰማምዐት ገሊጹ ነይሩ። እንተኾነ ግን፡ ብድሕሪኡ ንነዊሕ እዋን ከምዝጸንሑ'ዩ ዝፍለጥ። ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ተዓጽየን ዝጸንሓ 'ኩለን' ኣብያተ ትምህርቲ ክኽፈታ'የን። ኤርትራ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተሪር ዕጽዋ ኣዊጃ ምንባራ ይዝከር። ሕብረት ኣውሮጳ ብ22 መጋቢት ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ብብ\/ጀነራልሃ ኣብርሃ ካሳ ዝምራሕ ትካል ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ፡ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ ምርሸዓንን ምስኣርን\" ዝርከብዎም ዝተፈላለዩ ከበድቲ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ከምዝፈጸመ ብምኽሳስ እገዳ ከም ዘንበረሉ ሓቢሩ። እቲ ሕብረት ነቲ እገዳ ከንብር \"ሕጋውን ሞራላውን ስልጣን የብሉን\" ኤርትራ ተቓዊማቶ'ያ። ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ጋዜጣታት ብሕቲ ኤርትራ ዝመስረቱ ኤርትራውያን ዝኾነ ዜጠኛ፡ ሚልክያስ ምሕረትኣብ ዓሪፉ። እቲ \"ሰባር ስቕታ\" ተባሂሉ ዝግለጽ፡ ሚልክያስ ኣብ ስደት ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝነበረሉ እዋን'ውን ንመሰላት ፕረስን ጋዜጠኛታትን ዝጣበቕ ዝነበረ'ዩ። ኣብ ኤርትራ ልዕሊ 30 ሰዓብቲ ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያን ተፈቲሖም። ኤርትራ ንፈለማ እዋን ሰራዊታ ኣብ ኲናት ትግራይ ከምዝተሳተፉ ተኣሚና። መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ካብ ትግራይ ክወጹ ከምዝጀመሩ ኣፍሊጡ። ግንቦት መሰራቲን ኣዳላዊን ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ሰቲት ዝነበረ ፍሉጥ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ኣሮን ብርሃነ ብ3 ግንቦት፡ ኣብ መዓልቲ ፕረስ ዓለም፡ ኣብ ካናደ ዓሪፉ። ኣሮን፡ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብምዃን ኣብ ገድሊ ንናጽነት ድሕሪ ምስታፉ፡ ድሕሪ ናጽነት ናብ ትምህርቲ ዓለም ተመሊሱ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብጋዜጠኝነት ብዲግሪ ተመሪቑ። ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፈልትማን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ ብዛዕባ ኲናት ትግራይን ዞባዊ ጉዳያትን ተዘራሪቡ። ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ኤርትራ ናይ ቪዛ እገዳ ኣንቢራ። እቲ ስጉምቲ \"ሕጋውነትን፡ ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ዘየደንፍዕ'ዩ\" ክትብል ኤርትራ ተቓውሞኣ ገሊጻ። ሸኽ ሳልም ኢብራሂም ኣልሙኽታር ሙፍቲ ኤርትራ ኮይኖም ተመሪጾም። ኣብቲ ምርጫ፡ ላዕለዋይ ባይቶ ኢፍታእን እስላማዊ ጉዳያትን ኤርትራ፡ ጉባኤታት እስላም ኣውቓፍ ንኡሳን ዞባታት፡ ኣባላት ቤት-ጽሕፈት ኢፍታእ ኣብ ኩለን ዞባታት፡ ከምኡ'ውን መሻይኽን ዓበይቲ ዓዲን ዝርከብዎም 82 ወከልቲ ተሳቲፎም ነይሮም። ሸኸ ሳልም ኣካያዲ ስራሕ ሙፍቲ ኤርትራን ዋና ጸሓፊ ላዕለዋይ ባይቶ ኢፍታእን እስላማዊ ጉዳያትን ኤርትራ ኰይኖም ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገሉ'ዮም። ሰነ ሲኖዶስ ኦርቶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ንኣቡነ ቄርሎስ መበል 5ይ ፓትርያርክ ክኸውን ብወግዒ ከምዝሾመቶ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣፍሊጡ። ብሰንኪ ምእጋድን ምውጋዝን ናይቶም ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝርከቡ 3ይ ፓትርያርክ፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ እታ ቤተ-ክርስትያን ብዘይ ፓትርያርክ ንዓመታት ምጽንሓ ይፍለጥ። ብ27 ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ጽርግያ ውድድር ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ዓመተ 2021 ዳዊት የማነ ቻምፕዮን ክኸውን እንከሎ ካብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ከኣ ተቐዳዳማይ ጋንታ ሰምበል ኤፍሬም ገብረህይወት ቀዳማይ ኮይኑ። መርሃዊ ቅዱስን ኣድያም ተስፋለምን ኣብ ቻምፕዮን ኤርትራ 2021 ብግዜ ተዓዊቶም። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣምባሳደር ኤርትራ ኮይኑ ዝሰርሐ ኣቶ ኣርኣያ ደስታ ብሕማም ከምዝዓሪፉ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ። ሓምለ ኣብ ገምገም ባሕሪ ቱኒዝያ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝተሳፈሩላ ጃልባ ድሕሪ ምጥሓላ፡ 43 ተጓዓዝቲ ከምዝጠለቑ ማሕበር ቀይሕ መስቀል እታ ሃገር ኣፍሊጡ። ወዲ 21 ዓመት ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ቲም ኩቤካ ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብ ዓመተ 2021 ብዘመዝገቦ ዓወታት ዝተመሰጠት ጋንትኡ ካብ ወርሒ ጥሪ 2022 ጀሚሩ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ኮይኑ ምስ ዓባይ ጋንታ ቲም ኩቤካ ውድድሩ ከካይድ ፈሪሙ። ክልቲኦም ተጻረርቲ ወገናት ግጭት ትግራይ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዒላማ ገይሮም ክብል ሕቡራት ሃገራት ከሲሱ። ንፈለማ እዋን፡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ናብ መዓስከራት ስደተኛታት ትግራይ ኣትዩ። ክብረ-ወሰን ጒነስ ረከርድስ ዘጻርዮ ዘሎ ዝነውሐ ከይኮነ ዘይተርፍ ዕምሪ ዝነበሮም ኣቶ ነታባይ ትንስኤው ዝተባህሉ ኤርትራዊ ኣቦ ኣብ መበል ልዕሊ 120 ዓመቶም ዓሪፎም። ኤርትራዊት ዓወት ተስፋየሱስ ፈላመይቲ ጸላም ኣባል ፓርላማ ጀርመን ብምዃን ተዓዊታ። እታ ኣባል ሓምላይ ሰልፊ ዝኾነት ጓል 47 ዓመት፡ ነቲ እትነብረሉ፡ ንከተማታት ፍራንክፈርትን ካሰልን ዘጠቓለለ ዞባ ሄሰን ብምውካልያ ተወዳዲራ። ነሓሰ ገዲም ከራራይ ነስጥበባዊ ተኽለንኪኤል ገብሩ ኣብ መበል 71 ዓመት ዕድመኡ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ኣመሪካ፡ ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ኣዛዚ ሰራዊት ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ እገዳ ኣንቢራ። ሰራዊት ኤርትራን ምልሻታት ትግራይን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጾታዊ ዓመጽን ቅትለትን ዝርከቦም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ ሁማን ራይትስ ዎች ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። መስከረም ቻይና ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝግበር እገዳ ኮነ ምፍርራሕ እገዳ ከምእትቃወም ኣምባሳደር'ታ ሃገር ኣብ ኤርትራ ኣፍሊጡ። መራሒ ሰልፊ ዕዮ ብሪጣንያ ነበርን ኣባል ባይቶን ጀረሚ ኮርቢን ኩሎም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ናይ ሕልና እሱራት ክፍትሑ ጸዊዑ። ጥቅምቲ ብኤርትራዊ ዮናስ ማይናስ ዝተሰርሐት ብዓረባዊ ቅዲ ዝተዜመት 'ሓሚዳ' ዘርእስታ ደርፊ ንኣፍሪቃዊ ሽልማት ተሓጽያ። ኢንጂነር ግርማይ ዘርኣይ ኣበርሃምን መትከል ዘርኣይ ኣብርሃምን ብዝተባህሉ ኤርትራውያን ኣሕዋት ዝውነን ኣፕቴክ ኣፍሪቃ ዝተባህለ ትካል፡ ብቻይናዊ ቢልዮነር ኣብ ዝውሃብ ሽልማት ምስ ዝበለጹ ዓሰርተ ጸለውቲ ትካላት ኣፍሪቃ ተባሂሉ ተረቑሑ። ኤርትራ ንኻልኣይ እዋን ኣባል ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኮይና ከተገልግል ተመሪጻ። ቁጠባ ኤርትራ ካብ 2022 ክሳብ 2026 ኣብ ዘሎ ዓመታት ናብ 4.8 ሚእታዊት ክዓቢ ምዃኑ ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ሓቢሩ። እቲ ትካል ብ13 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ ኣመታዊ ጸብጻብ፡ ኣብ 2026 ናብ 3.9 ከምዝወርድ'ውን ኣሚቱ'ሎ። ኣብ ኤርትራ ተወሊዳ ብንእስነታ ናብ ብሪጣንያ ዝተሰደት ነርስ ምብራቕ ገብረሂወት \"ብሃር ብዓልቲ ሞያ ጥዕና\" ተባሂላ ብምምራጻ ካብ ኢድ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሽልማት ተቐቢላ። ኣብ ኢጣልያዊት ከተማ ቦሎኛ ኣብ ዝተኻየደ ዞባዊ ምርጫ፡ ስዒድ ነጋሽ ዝተባህለ ትውልደ ኤርትራዊ ንፈለማ እዋን ናብ ባይቶ ምምሕዳር እታ ከተማ ዝተመረጸ ጸሊም ኮይኑ። ሕዳር ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ነበር: ገዲም ተጋዳላይ: ብ\/ጀነራል ነጋሽ ተስፋጼን ኣይበል፡ ብ18 ሕዳር 2021 ኣብ መበል 84 ዓመት ዕድሚኡ ዓሪፉ። ንሳምንታት ዝቐጸለ ቅልውላው ምጥፋእ ኤልክትሪክ ኤርትራ ኣብ መነባብሮ ህዚቢን ኣፍረይቲ ትካላትን ዓቢ ጸገም ፈጢሩ። ሓደ ካብ መስረትቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ጸሓፊ ህግደፍን ዝነበረ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ብሰንኪ ሕማም ኮሮናቫይረስ ኣብ ስዑዲ ዓሪፉ። ኣመሪካ ምስ ቅልውላዉ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብ\/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ነማርያምን ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ዝኾነ ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወት ወልደኪዳንን ካብቶም እቲ እግዳ ዝግበረሎም ክኾኑ እንከለው፤ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ገዛኢ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ)፡ ከምኡ'ውን እቲ ብህግደፍ ዝውነኑ ዓቢ ንግዳዊ ኮርፖረሸን ቀይሕ ባሕሪን ማዕከን ሕድርን ኣብቲ እገዳ ኣንቢራ። ኤርትራዊ ዮናስ ምሕረትኣብ ብኮሜድያዊት ደርፊ 'ሓሚዳ' ሽልማት 'ኦል ኣፍሪካን ሙዚክ ኣዋርድ' ተዓዊቱ። ታሕሳስ ኣካየድቲ ናይቲ ኣብ ሃገረ ጋቦን ዝካየድ ዙር 'ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ' ኣብ ዘውጽእዎ ዝርዝር ብሉጻት ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ብሽክሌታ፡ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብ ዓመተ 2021 ብዘርኣዮ ብቕዓት እቲ ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ኢሎም ሰምየሞ። ጋዜጠኛን ደራስን ተስፋዬ ገብረኣብ ብዝሓደሮ ውሽጣዊ ሕማም ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ ሆስፒታል ኣጋካን ክሕከም ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መበል 53 ዓመቱ ብ24 ታሕሳስ 2021 ዓሪፉ። ህብብቲ ተዋሳኢት፡ ተዋዛዪትን ጸሓፊትን ኤርትራዊት ኣሜሪካዊት ቲፋኒ ሓድሽ ኣብ መበቆል ዓዳ ገዛ ከረን ንኡስ ዞባ ዓዲኳላ ጤሳ ከም ዝተዋሃበት ተገሊጹ። \"ብዛዕባ መጻኢ ህዝቢ\" ኤርትራ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምዝተዘራረበት ሓቢራ። ኤርትራ ናብታ ሃገር ንዝኣትዉ ገያሾ ዝምልከት ሓድሽ መምርሒታት ኮሮናቫይረስ ከምዘውጽአት ኣፍሊጣ። ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ገያሾ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ መርመራ ክግበረሎም ምዃኑን፡ ተለኺፎም ዝተረኽቡ \"ብናታቶም ወጻኢ\" ኣብተን ብሰብመዚ ዝተፈልያ ሆቴላት ክውሸቡ ምዃኖምን ሓቢሩ። እቲ ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብምዃን ንነዊሕ ዓመታት ዝመርሐ ኣቶ ሮሞዳን መሓመድ ኑር፡ ብረቡዕ 29 ታሕሳስ 2021 ኣብ መበል 83 ዓመቱ ኣብ ከተማ ካርቱም፡ ሱዳን ዓሪፉ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59845506"} {"headline":"ስእልታት ፓብሎ ፒካሶት ፡ ድሕሪ 20 ዓመት ብ110 ሚሊዮን ዶላር ዝተሸጠ ቅብኣ","content":"ዓሰርተ ሓደ ጥበብ ቅብኣ ፓብሎ ፒካሶ፡ ኣብ ውሽጢ ኣብ ላስ ቬጋስ ዝርከብ ሓደ ሆቴል ተሰቒሎም ዝጸንሑ ኾይኖም፡ ድሕሪ 20 ዓመታት 110 ሚልዮን ተሸይጦም። ዋንነቶም፡ ኤምጂኤም ሪዞርትስ ናይ ዝተብሃለ ኩባንያ ዝኾኑ እዞም ኣሳእል፡ ቤላጂዮ ኣብ ዝተብሃለ ሆቴል እዮም ተሸቂሎም ጸኒሖም። ናይ ፓውሎ ፒካሶ ስራሕቲ ዝሸጠ እዚ ኩባንያ፡ በቲ መሸጣ ዝተረኽበ 110 ሚልዮን ገንዘብ ካልእ ስራሕቲ ጥበብ ከምዝገዝአሉ ኣፍሊጡ ኣሎ። እቲ ትካል፡ ትሸዓንተ ናይ ፒካሶ ስእልታትን ክልተ ቅብኣ ሴራሚክን ንመሸጣ ጨረታ ድሕሪ ምቕራቡ'ዩ ክንድኡ ገንዘብ ክረኽበሎም ዝኸኣለ። ኣብ 1973 [ከም ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ] ዝሞተ ስፔናዊ ኣርቲስት ሰራሕቲ ዝኾኑ እዞም ውጽኢት ጥበባት፡ ልዕሊ 50 ዓመታት ዕድመ ከምዘቑጸሩ እዩ ዝንገር። ሓደ ካብቶም ብኽባር ዋጋ ዝተሸጡ ቅብኣታት 40 ሚልየን ዘውጸአ ስእሊ፡ ኣፍቃሪት እቲ ሰኣላይ ፓውሎ ዝነበረት፡ ሜሪ ቴሬሳ ዋልተር፡ ድሙቕ ቀይሕ ኣራንሺ ሕብሪ ዘለዎ ቆቢዕ ገይራ እትረአየሉ እዩ። እዚ ስእሊ መጀመርታ ካብ 20 ክሳብ 30 ሚልዮን ዶላር ጥራይ ከምዘውጽእ እዩ ተገሚቱ ነይሩ። ካልእ ዘበን ተሳጋሪ ዝተብሃለለሉ ስእሊ ድማ፡ 'ማን ኤንድ ቻይልድ' [ስብኣይን ቆልዓን] ብዝብል ዝፍለጥ ቅብኣ እንትኸውን 24.4 ሚልዮን ዶላር ኣውጺኡ ተባሂሉ። ክልተ ሜትሮ ቁመት ዘለዎ እዚ ስእሊ፡ ብ1959 ፓውሎ ፒካሶ፡ ስሙ ኣዝዩ ኣብ ዝገነነሉ ዘበን ዝሰርሖ እዩ። ካልእ 16.6 ሚሊዮን ዶላር ዘውጸኦ ስራሕቲ ጥበቡ ድማ፡ ከተማ ፓሪስ ኣብ ኢድ ናዚ ኣትያ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ዝተሳእለ እዩ ተባሂሉ። ወናኒ ሆቴል ቤላጂዮ ዝነበረ ኣሜሪካዊው ፍሉጥ በዓል ሃብቲ ስቲቭ ዊን፡ ንስራሕቲ ፒካሶ ቅድሚ 20 ዓመታት እዩ ምእካብ ጀሚሩ። እቲ በዓል ሃብቲ፡ ወናኒ ዌን ሪዞርትስ ዝነበረ ኾይኑ፡ ክሲ ጾታዊ ትንኮያ ምስ ቀረበሉ ስርሑ ከምዝገደፈ ይዝረብ። ስፔናዊ ሰኣላይ ፓብሎ ፒካሶ ናይ መበል 20 ክፍለ ዘመን ዕዙዝ ኣርቲስት ነይሩ እዩ ዝበሃል። ኣብ 92 ዓመቱ ዝሞተ ፓብሎ፡ ኣብ'ቲ ዓውዲ ዝተፈላለዩ ቅድታት ኣሰኣእላ ኣርእዩ ከም ዝሓለፈ ድማ ይምስከረሉ። ፓውሎ ፒካሶ ተወላዲ ስፔን እንተኾነ'ኳ፡ ዝበዝሕ ህይወቱ ኣብ ፈረንሳይ ከም ዘሕለፈ እዩ ዝንገረሉ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59027900"} {"headline":"ካብ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣለይቲ ፊልም ንነብሰይ እየ ዘድንቅ' ኣርያም ወልድኣብ","content":"ኣርያም ወልድኣብ፡ ኣብ ስነ ጥበባዊ መድረኻት ሓጸርቲ ዛንታታት ብምንባብ፡ ኣብ ኤሪ ቲቪ ኣብ ዝቐርቡ መደባት ስነ ጥበብ በቲ መሳጥን፡ ምስቲ እተዘንትዎ ዛንታታት ክብ ለጠቕ እናበለ ዝኸይድ መሳጢ ቅኒትን እትመርጾም ቃላትን ኣብ ብዙሓት ተኸታተልቲ ናእዳ ዝረኸበት ፍትውቲ ስነ ጥበበኛ እያ። ዝያዳ ግን በቲ እተቕርቦ ዝነበረት ሓጸርቲ ዛንታታት እያ ትነኣድን ትምስገንን ነይራ። ኣርያም ንዓመታት ብተዛማዲ ካብ ተዓዘብታ ግልል ኢላ ድሕሪ ምጽናሕ፡ 'ጽቡቕ ኣላ' ትብል ብምርኢት [ተዋስኦ] ዝተሰነየት ፍሉይ ቅዲ ኣቐራርባ ዘለዋ ሓጻር ዛንታ ሒዛ ብዩትዩብ ተቐልቂላ ኣላ። መንቀሊ ሓሳብ እታ ዛንታን፡ ኣቐራርብኣን ክንምለሶ ኢና። ድሕረ ባይታ ኣርያም ወልድኣብ ኣርያም ወልድኣብ ኣብ 1990 ኣብ ሳሕል ሂምቦል ኣብ ዝተብሃለ ቦታ'ያ ተወሊዳ። ጓል ሓደ ዓመት እንከላ ኸኣ ኤርትራ ካብ ስርዓት ደርግ ሓራ ስለዝወጽአት፡ ኣብ ሕቑፊ ኣዲኣ ኮይና ምስ ክልተ ምዕባያ ኣሕዋታ ናብ ኣስመራ ኣትያ። ካብ ብንእሽትኣ ዝንባለ ስነ ጥበብ ከምዝነበራ እትገለጽ ኣርያም፡ ኣብ ሬድዮን ተለቪዥንን ጽሑፋት ብምቕራብ፡ ቀስ እናበለት ዓቕማ ብምድላብ ናብ ምጽሓፍን ምእላይን ፊልምን፡ ግጥምታትን ሓጸርቲ ዛንታታን ኣብ ምጽሓፍን መጽሓፍ ኣብ ምድራስን በጺሓ። ኣርያም ባዕላ ደሪሳ ባዕላ ዝኣለየታ ፊልም 'ይቕረ ንመን'፣ ፊልም 'ዩኤል ኣብ ፈተነ' ኣርያም ዝጽሓፈታ ፍስሃየ ወርቅነህ ዝኣለያ፣ መጽሓፍ 'ቅድሚ ቀዳማይ' እኩብ ሓጺር ዛንታታትን ግጥምታትን ናብ ህዝቢ ኣቕሪባ። ብፊልም ይቕረ ንመን ኸኣ ሽልማታት ዓቲራ። ኣርያም ነዚ ዘላቶ ናይ ስነ ጽሑፍ ዓቕሚ ንኽትድልብ ኣብ ዝተፈላላየ እዋን ንስነ ጽሑፍ ኣመልኪታ ስልጠናታት ከምዝወሰደት ትገልጽ። ኣርያም ኣብ 2007 ናብ ሳዋ ምስ ከደት ንሰለስተ ኣዋርሕ ናይ ስነ ጽሑፍ ስልጠና ወሲዳ ነይራ። \"እታ ቀንዲ ንዓይ ዓቢ በሪ ዝኸፈተትለይ ግን ብብዓል መለስ ንጉሰ፡ ግርማይ ኣብርሃምን ኢሳቕን ዝተዋህበት ናይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ስልጠና ስነ ጽሑፍ እያ፤ ኣብ 2010'ውን ብሓንቲ እንግሊዛዊት ኣጸሓሕፋ ፊልም ተማሂረ ነይረ\" ትብል። ብምስዓብ \"ኣብ ስማፕ ኸኣ ካብቶም ቀዳሞት ተመራቖ [2014] ትያትሪካል ኣርትስ ነይረ\" ምንባራ ትገልጽ። ኣርያም ኣብ 2016 ኸኣ ካብ ኤርትራ ናብ ኣመሪካ ኣምሪሓ። \"ጽቡቕ ኣላ\" ኣርያም ነዛ \"ጽቡቕ ኣላ\" ዝሰመየታ ብተዋስኦ ዝተሰነየት ሓጻር ዛንታ፡ ንክትጽሕፋ ዝደረኻ፡ ሰባት ብዛዕባ ምዕራባውያን ሃገራት ዘለዎም ኣመለኻኽታ ኣብ ነብሳ ዝርኣየቶ ምዃኑ'ያ ትገልጽ። \"ኣብ ዓዲ እንከለኹ፡ ብዛዕባ ኣመሪካ ዝነበረኒ ትጽቢትን እቲ ክውንነትን በበይኑ ኮይኑ ረኺበዮ\" ብምባል እቶም ኣብ ኣፍሪቃ ይኹን ኣብ ዓዲ ዝርከቡ ሰባት፡ እቶም ኣብ ደገ ዝርከቡ ጽቡቕ ናብራ ዝነብሩ ከምዝመስሎም ትገልጽ። ኣርያም ኣብ ነብሳ ዘጋጠመ ንምግላጽ ኸኣ ኣብ ኣመሪካ ምስ ኣተወት ኣብ ወርሓ ብዙሕ ሰብ ንሓገዝ ከምዝሓተታ ብምዝካር \"ኣነ ገና ነቲ ዓዲ'ውን ኣይተላለኽዎን ነይረ፡ ብሓፈሻ ቀስ እናበልኩ ነቲ ኣብዚ ዘሎ ገልጠምጠምን ክብደት ናብራን ምስ ረኣኽዎ ከተሓሳስበኒ ጀሚሩ። እታ ጽቡቕ ኣላ ትብል ዛንታ ኸኣ ብኸምዚ እያ ተጀሚራ\" ብምባል ንኣጀማምራ እታ ዛንታ ትገልጾ። ኣርያም፡ \"ኣብዚ ዓዲ ብዙሓት ኤርትራውያን ንስደራቤቶም ፈተውቶምን መቕርቦምን ክብሉ ከቢድ ዋጋ ክኸፍሉን ኣብ ዘይተደለየ ከቢድ ዕዳ ክኣትው ርእየ'የ \" ትብል። እቲ ኣብ ወጻኢ ኮይንካ ዝኽፈል ዋጋ ብፍላይ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ኸኣ ዝለዓለ ምዃኑ ኣርያም ትሕብር \"እቲ ካብ ስድርአን ትጽቢት ዝግበረለን ዋጋ ክኸፍላ ክብላ ዕድሚኤን፡ ጽባቐኤንን ኩሉ ነገረንን ዘብለያ ኣሕዋት ኣለዋና። ብቐረባ ዝፈልጦ ምስ ጥዕናን ዕዳን ዝተሓሓዝ ዛንታታት ኤርትራውያን ኣሕዋተይ ኣሎ። እዚታትት ኩሉ እዩ ከኣ ነታ ዛንታ ክጽሕፋ ኣገዲዱኒ\" ትብል። ኣብታ ዛንታ ኣርያም ነቲ ሓጺር ዛንታ ምስቲ ዛንታ ዝሳነ ምከና ብምምራጽ እናኣንበበቶ እንከላ፡ ውርይቲ ኤርትራዊት ተዋሳኢት መረብ እስቲፋኖስ ኸኣ ናይታ ኣብቲ ዛንታ ዘላ ኣብ ወጻኢ ትነብር ገጸ ባህሪ ብምልባስ'ያ ጎኒ ጎኒ እቲ ዛንታ ትዋሳእ። ንመረብ ካልኦት መሰነይታ ተዋሳእቲ የብላን። ኣርያም ነቲ ቅዲ ዝመረጸትሉ ምኽንያት ከተብርህ እንከላ \"ቀደም ኣብ መድረኽ ወጺአ እናኣንበብኩ እዮም ሰባት ዝፈልጡኒ። ሓዲሽ ነገር ክፍትን ኣለኒ ስለዝበልኩ እየ ኸኣ ነዚ ቅዲ እዚ ዘይፍትኖ ብምባል ሓሲበዮ፡ ሓዲሽ ነገር ምፍታን ኸኣ ደስ'ዩ ዝብለኒ\" ትብል። ብዙሓት ኤርትራውያን ስነጥበባውያን ካብ ሃገሮም ወጻኢ ኣብ ስደት ከምዝነብሩ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፡ እንትርፎ እቶም ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ኡጋንዳን ዘለዉ፡ ብተዛማዲ ገለ ስነ ጥበባዊ ፍርያት ከፍርዩ ዝረኣዩ፡ እቶም ዝበዝሑ ሞያ ብምቕያር እዮም ናብርኦም ዝመርሑ። እቲ ምኽንያት ኣርያም ክትገልጾ እንከላ \"ንኣብነት ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ ካብ ሓደ 'ስቴት' ናብ ካልእ 'ስቴት' ጌሽካ ክትራኸብ ብዙሕ'ዩ ዘኽፍለካ፡ መነባብሮ ኣሎ፡ ምግጫው ናይ ባህሊ ኣሎ፡ ነቲ ኣብዚ ዘሎ 'ሲስተም' ክትርዕሞ ኣለካ\" ብምባል ምስቲ ሰብ ንመዓልታዊ መነባብርኡ ንምምላእ ጸደፍደፍ ዝብሎ ስነ ጥበባዊ ስርሓት ንምክያድ ኣዝዩ ከምዝኸብድ እያ ተገልጽ። ሽልማታት ይቕረ ንመን' ኣርያም ወልድኣብ፡ ኣብ ዓውዲ ፊልም ክትሰርሕ ምስ ጀመረት መጀመርታ: ነታ 'ዩኤል ኣብ ፈተነ' ትብል ፊልም እያ ደሪሳ፡ ብምቅጻል ንፊልም 'ይቕረ ንመን' ባዕላ ጽሒፋ ባዕላ ኣልያታ። እዛ ፊልም ከም ብዓል ሳሮን በረኸት፡ ሲራክ ሚኪኤል፡ ስዒድ ኣንዋር፡ ዊንታ ገረዝግሄርን ሃኒባል በለጾምን ዝኣመሰሉ ውሩያት ተዋሳእቲ ዝተዋስኡላን እያ። ኣብ መስከረም 2017 ኣብ 'ሲሊከን ቫሊ ኣፍሪካን ፊልም ፈስቲቫል' ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፊልም ፈስቲቫል ኣርያም ንይቅረ ንመን ንውድድር ስለዝቐረበታ፡ እታ ፊልም ኣብ ምድብ ትረኻዊ ፊልምታት (achievement in narrative films) ተሸሊማ። ኣብ 2020'ውን ነታ ፊልም ኣብ ሂዩስተን ኢንተርናሽናል ፊልም ፈስቲቫል ኣወዳዲራታ 'ሲልቨር ረሚ ኣዋርድ' ከምዝረኸበት ኣርያም ትዛረብ። ብዘይካ እዚ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዘላ ማሕበር 'women of colour' ናይ ዓለም ደቂ ኣንሰትዮ ሰራሕቲ ፊለም ኣባል ብምዃን፡ ብመንገዲ እቲ ማሕበር ብዝመጻ ዕድመ 'best film directed by women of colour' ኣብ ዝብል ተወዳዲራ ብመንገዲ ይቕረ ንመን ምስ ካልኣይታ ክትዕወት ክኢላ። \"ኣብዚ ውድድር ምዕዋተይ ዘሐጎሰኒ፡ ብውልቀይ ኣይኮንኩን ተዓዊተ ንሃገረይ ወኪላ እየ ተወዳዲረ\" ትብል ኣርያም። ኣርያም ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎ ድርሰት ብምሓዝ ዓለም ለኻዊ ጽልዋ ዘለዎ ስራሕ ንኽትሰርሕ ኣብ ጻዕሪ ከምዘላ ብምሕባር \"ብፍላይ ብሓፈሻ ንኣፍሪቃውን ዝውክል ስራሕ ክሰርሕ'ዩ ሓሳበይ\" ትብል። 'መጽሓፍ ቅድሚ ቀዳማይ . . . ብድምጺ' ኣርያም ወልድኣብ፡ እኩብ ሓጺር ዛንታታትን ግጥምታትን ዝሓዘት 'ቅድሚ ቀዳማይ' ዝሰመየታ መጽሓፍ'ውን ናብ ህዝቢ ዘርጊሓ እያ። ነቲ ዝሃበቶ ኣርእስቲ ኣመልኪታ ኸኣ \"ኣነ ንዕላማ ናይቲ ናጽነት ንምምጻእ ዝተኸፈለ ከቢድ ዋጋ፡ ቀዳማይ ጥራይ ኢላ ክገልጾ ነብሰይ ኣይገበረለይን ልዕሊኡ እዩ፡ ህይወትካ፡ ስድራኻ፡ ሓዳርካ፡ ዕድላትካ ገዲፍካ'ዩ ተፈጺሙ ነዚ'ሞ ከመይ ኢለ'የ ቀዳማይ ጥራይ ኢለ ክገልጾ ብምባል እየ ቅድሚ ቀዳማይ ኢለዮ\" ትብል። መጽሓፍ ቅድሚ ቀዳማይ ኣብ ኢድ ኩሎም ደለይታ ከምዘይበጽሐት እትገልጽ ኣርያም \"እቲ ጸገም ኣብ ሃገርና ባዕልኻ ትጽሕፍ፡ ባዕልኻ ተሕትም ባዕልኻ ትዝርግሕ ስለዝኾነ እወ ከምቲ ዝድለ ኣብ ኢድ ኩሉ ደላይኣ ኣይበጽሐትን ኣላ\" ትብል። ኣርያም ነዚ ሃጓፍ እዚ ንምምላእ ነታ መጽሓፍ ብምልክዕ ድምጺ መሊኣ 'audio book' ትገብራ ምህላዋን ኣብ ቀረባ ግዜ ናብ ሰማዕቲ ክትፍኖ ምዃናን ንቢቢሲ ገሊጻ። ኣርያም ወልድኣብ ኣብ ኣስመራ እንከላ፡ 'Aru Show' ዝሰመየቶ ብባህላውያን ሙዚቀኛታት ተሰንያ ኣብ መድረኽ ብምውጻእ ሓጸርቲ ዛንታታት ተቕርበሉ ምርኢት ጀሚራ ነይራ። እንተኾነ እቲ መደብ ምስ ናብ ኣመሪካ ምጋሻ ክትቅጽሎ ከምዘይክኣለት ሓቢራትና። 'ካብ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዩ ኣለይቲ ፊልም ንነብሰይ እየ ዘድንቅ' ኣርያም ወልድኣብ ካብ ደቂ ተባዕትዩ ተዋሳእቲ ንመስፍን ተስፋገርግስ (ማዕበል) ካብ ደቂ ኣንስትዩ ተዋሳእቲ ኸኣ ንጽገ ተኽለሰንበት (ኣደይ ብጫ) ከምእተድንቕ ትገልጽ። ካብ ደቂ ተባዕትዩ ደረስትን ኣለይትን ንነብስሄር ኢሰይያስ ጸጋይ ከምእተድንቕ እትገልጽ ኣርያም፡ ኣብ ኤርትራ ውሑዳት ኣለይቲ ፊልም ከምዘለዋ ብምግላጽ፡ ካብተን ዘለዋ ንነብሳ ኣብ ቅድሚት ከምእትሰርዓ ትገልጽ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59891632"} {"headline":"ኮመድያዊት ቲፋኒ ሓድሽ ኣብ መበቆል ዓዳ ጤሳ ተዋሂባ","content":"ህብብቲ ኮሜድያዊት ተዋሳኢትን ጸሓፊትን ኤርትራዊት ኣሜሪካዊት ቲፋኒ ሓድሽ ኣብ መበቆል ዓዳ ገዛ ከረን ንኡስ ዞባ ዓዲኳላ ጤሳ ከም ዝተዋሃበት ተገሊጹ። ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ተካይድ ዘላ ቲፋኒ ብሰኑይ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሐቶ ሓበሬታ ኣዝያ ከም ዝተሓጎሰት ገሊጻ። \"ክብሪ ተሰሚዑኒ። ኣባሓጎታተይ ከምዝተሓበኑ እፈልጥ'የ። ምስ ህዝበይ ግዜ ንምሕላፍ ተሃንጥየ ኣለኹ\" ኢላ። ሓላፊት ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣሜሪካ፡ ሓድነት ቀለታ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሐቶ ሓበሬታ ቲፋኒ ኣብ መበቆል ዓዳ ምውቕ ኣቀባብላ ከምዝተገበረላ ሓቢራ። \"ቲፋኒ ኣብ ዓዳ ምውቅ ኣቐባብላ ተገይሩላ፡ ናይ ትውልዲ መሰላ ስለዝኾነ'ውን ኣበ ገዛ ከረን ንኡስ ዞባ ዓዲ ኳላ [ዞባ ደቡብ] ጤሳ ተዋሂባ\" ኢላ። ኣብቲ ነቲ ጽሑፍ ኣሰንዩ ዝተዘርግሐ ስእሊ፡ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ኣብ ሓደ ጎልጎል ተኣኪቡ ኣቀባብላ እናገበረላ ይርአ። እቲ ጉዳይ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዘራራቢ ኮይኑ ክርከብ እንከሎ፡ ገለ ካብቲ ርእይቶታት ንዓመታት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝርከቡን ግቡኦም ዝፈጸሙን ዜጋታት ጤሳ ክረክቡ ከምዘይከኣሉ ብምግላጽ እቲ ኣሰራርሓ ግሉጽነት ከምዝጎድሎ ይዛረቡ። ካልኦት ከኣ ንቲፋኒ ጤሳ ምሃብ ኣብቲ ከባቢ ልምዓታዊ ወፍሪ ንክተካይድ ዕድል ዝኸፍት ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነቲ ተግባር ናእዳኦም ገሊጾም። ካብ ኤርትራዊ ኣቦ ኣሜሪካዊት ኣደን ዝተወለደት ቲፋኒ ሓድሽ ኤርትራዊ መንነት ክወሃባ ድሕሪ ዘቕረበቶ ሕቶ፡ ኣብ 2019 ኤርትራዊ ዜግነት ከም ዝተወሃበት ተገሊጹ ነይሩ። ንሳ ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ምስቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ምስኣ ካብ ዝጸንሐ ብኮመን ዝፍለጥ ሙዚቀኛ ዓርካ ሎኒ ራሺድ ሊን ከምዝተፈላለየት መራኸቢ ብዙሓን ኣሜሪካ ጸብጺበን። ህብብቲ ተዋሳኢትን ኮሚድያንን ቲፋኒ፡ ካብ ኤርትራዊ ኣቦኣ- ጸሃየ ረዳ ሓድሽን ካብ ኣፍሪቃዊት ኣሜሪካዊት ኣዲኣ- ለኦላን ኣብ 1979 ኣብ ደቡባዊ ሎስ-ኣንጀለስ ካሊፎርንያ እያ ተወሊዳ። ቲፋኒ ብተለቪዥን ኣብ ዝመሓላለፍ ተኸታታሊ ፊልም 'If loving you is wrong' ከምኡውን ኮመድያዊ ፊልምታት 'Girls Trip' ብዝተዋስኣቶ ተራ ፍልጥቲ እያ። ብዘይካ'ዚ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ፊልምታት ተዋሲኣ እያ። ተፈጥሮኣዊ ተውህቦ ምውሳእ ከም ዘለዋ ዝግለጽ ቲፋኒ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ እያ ህቡብነት ክተጥሪ ዝኸኣለት። ጓል ሰለስተ ዓመት እንከላ ካብ ኣዲኣ ንዝተፈለየ ኣቡኣ ንምቕባር ቅድሚ ገለ ዓመታት ናብ ኤርትራ ዘምርሕት ቲፋኒ፡ በቲ ኣጋጣሚ ምስ ስድራቤት ኣቡኣ ክትራኸብ ከም ዝኸኣለትን ኣዝያ ከም ዝተመሰጠትን ምስ ቴለቪዥን ኤርትራ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት ተዛሪባ ነይራ። ኣብቲ እዋን፤ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ'ውን ተራኺባ ምንባራ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ስእልታት የርእይ። ቲፋኒ ኣብቲ ኣብ 2018፡ መበል 90 ጽምብል ሽልማት ኦስካርስ ኣብ ዝተኣንገደሉ ከተማ ሆሊዉድ ኣሜሪካ፡ ባህላዊ ክዳን ሓበሻ ምኽዳና ኣቓልቦ ብዙሓት ማእከናት ዜና ዝሰሓበ ኮይኑ ነይሩ። ቲፋኒ፡ ኣብ መስከረም 2018 ኣብ ጽምብል ሽልማት ኤሚ ኣብ ዝተረኽበትሉ እውን ብሕብርታት ባንዴራ ኤርትራ ዝመልክዐ ክዳን ተኸዲና ምቕራባ ይዝከር። ንሳ ንኽብሪ'ቲ ቅድሚ ዓመት ዝዓረፈ ኣቦኣ፡ ከም ዝተኸደነቶ ገሊጻ ነይራ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59808215"} {"headline":"ዓብዱልራዛቕ ጉርናህ፡ ኣብ ትውልዲ ዓዱ ብዙሕ ዘይፍለጥ ጸሓፊ ተሸላሚ ኖቤል","content":"ኣብ ዛንዚባር ተወሊዱ፤ ኣብዚ ዓመት ብስነ ጽሑፍ ሽልማት ኖቤል ምስ ወሰደ ዓለም ክኣ ብዛዕብኡ ብዙሕ ኣውጊዓ። ኣብ ታንዛኒያ ግን ብዙሕ ኣይፍለጥን፤ ጸሓፊ ዓብዱልራዛቕ ጉርናህ። እዚ ወዲ 72 ዓመት ጸሓፊ፡ ኣብ ስነ ጽሑፍ ኣፍሪቃ ዓብዪ እጃም እኳ እንተሃለዎ ኣብ መደብራት መጽሓፍ ሃገሩ ግን መጽሓፍቱ ኣይርከቡን። \"ስእሉ እንተኣርኢኻዮም ሰባት ንመጀመርታ ግዜ'የ ዝርእዮ ዘለኹ ይብሉኻ\" ትብል ጸሓፊትን ገጣሚትን ኣሊ ሳልሕ። ወሲኻ \"ኣብ ታንዛኒያ ውሑዳት ሰባት'ዮም ብዛዕባ ስራሕቱ ዝፈልጡ\" ኢላ። መጽሓፍቲ እዚ ደራሲ ኣብቲ ንዝሓለፉ ሓምሳ ዓመታት ዝተቐመጠሉ ዓዲ ኢንግሊዝ ግን ዓብዪ ዕዳጋ ኣለዎም። ዓሰርተ መጽሓፍቲ ከበርክት እንከሎ፡ ኣብዚኦም ንዛንዚባራውያን ቐረባ ዝኾኑ ጉዳያት ኣልዒሉ'ዩ ዝዝቲ። ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዘሕደሮ ጽልዋን ስደተኛታት ዘሕልፉዎ ህይወትን ብስፍሓት ይድህስስ። ጉርናህ፡ ብድሕሪ እቲ ኣብ 1964 ብውሑዳት ሙሁራት ዓረብ ዛንዚባር ዝምራሕ ስርዓት ዛንዚባር ንምዕላው ዝተላዕለ ናዕቢ ወዲ 18 ዓመት እንከሎ ተሰዲዱ። ድሕሪኡ ዛንዚባር ምስ ታንዛኒያ ተጸምቢራ። እቲ ጸሓፊ ድማ ምስታ መቦቆሉ ዝኾነት ዓዲ ብዙሕ ዝኽርን ምትእስሳርን ኣለዎ። ዳይሬክተር ምኩኪ ና ንዮታ ዝተባህለ ኣሕታሚ ታንዛኒያ ምኩኪ ብጎያ \"ታንዛኒያውያን መጽሓፍቲ ዓብዱልራዛቕ ከንብቡ ጠቓሚ'ዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣፍሪቃውያን ዓለም ብዓይኒ ካልኦት ሰባት ኢና ንርእያ፤ ንሱ ግን ብናትና ዓይኒ እዩ ዝጥምታ\" ይብል። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ጉርናህ ሽልማት ኖቤል ከም ዝተዓወተ ምስ ተገልጸ፡ ገለ ታንዛናውያን ከምዚ ዝበለ ሰብ ብኸመይ ኣብ ዓዲ ዘይፍለጥ ኢሎም ተገሪሞም። ብሱሩ'ውን ብዛዕባ እቲ እናደኸመ ዝመጽእ ዘሎ ባህሊ ምንባብ እታ ሃገር ዓበይቲ ክትዓት ኣልዒሉ። ድሕሪ ሰውራ ዛንዚባር፡ እቲ ሓድሽ ስርዓት ስርዓተ ትምህርቲ ክቕይሮ እንከሎ ኣብ ስነ ጽሑፍ ትሑት ትኹረት እዩ ገይሩ። ኣብዚ እዋን ኣብ ዛንዚባር ካብ ዘለዋ ሰለስተ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ [ዩኒቨርሲቲ] ዋላ ሓንቲ ስነ ጽሑፍ ኣይትምህርን። \"ድሕሪ እቲ ሰውራ መንግስቲ ብዙሓት ናይ ንባብ ክበባትን ኣብያተ መጽሓፍትን ዓጺዩ'ዩ። ብዙሓት ንፉዓት መምሃራን ክኣ ወጺኦም\" ይብል ተቓዋሚ ዛንዚባር ኢስማዒል ጁሳ። \"ትምህርቲ ጥረ ትርጉም ተዋሂቡዎ፣ መዐቀኒታት ትምህርቲ ወዲቐም፤ በዚ ኣቢሉ ባህሊ ንባብ ካብ ሞንጎ እቶም ዝተሃሰዩ ሓደ ኮይኑ\" ኢሉ። ኣብ ታንዛኒያ ውጽኢት ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ስነ ጽሑፍ ከም ዝነከየ'ውን ይርኣይ። ኣብዚ ዓመት፡ ኣብያተ ንባብ ታንዛኒያ፣ ኣብያተ ትምህርቲን መደብር መጽሓፍትን ቐረባት ስራሕቲ ስነ ጽሑፍ ገዲበን ኣብ መጽሓፍቲ መምሃሪ ሓገዝን ናይ ትምህርቲ መጽሓፍትን እየን ትኹረት ገይረን። ብዙሓት ልበ ወለድ መጽሓፍትን ጋዜጣን ዘንብቡ'ኳ እንተኾኑ፡ ምስ ምምዕባል ቴክኖሎጂ ግን እቲ መንእሰይ ኣቓልብኡ ኣብ ዲጂታላዊ ሚዲያ ይኸውን ኣሎ። ከም ውጽኢቱ ድማ ኢንዳስትሪ ሕትመት ታንዛኒያ መጽሓፍቲ ክሸይጥ ይቃለስ ኣሎ። መደብር መጽሓፍቲ ቲፒኤች፡ ኣብ ከተማ ዳሬሰላም ዝርከብ ኮይኑ ሓደ ካብቶም ኣብታ ሃገር መጽሓፍቲ ጉርናህ ዝሕዙ መደብር መጽሓፍቲ እዩ። \"ኢንዳስትሪ ሕትመት ታንዛኒያ ኣብ መምሃሪ መጽሓፍቲ ትኹረት ዝገበረ ስለ ዝኾነ ዓብዪ ክፍተት ኣሎ። ነዚ ንምፍታሕ ናይ ልበ ወለድ መጽሓፍቲ፣ መጻሕፍቱ ግጥሚ - ብቐንዱ ብታንዛናውያን ዝተጽሓፉ- ክንሕትምን ክንሸይጥን ጀሚርና\" ይብል ብጎያ። \"ናይ ጉርናህ መጽሓፍቲ ግን ንክሽየጡ ነዊሕ እዋን ስለ ዝወስዱ መሊስና ኣየምጻእናዮምን\" ኢሉ። ውሑድ ዓሚል ስለ ዘሎ፡ ዋጋ መጽሓፍቲ ክቡር'ዩ፤ ንገሊኦም ድማ ዘይብጻሕ ይኾኖም። \"እቲ ዕዳጋ ንኡሽቶ ስለ ዝኾነ ብዙሓት መጽሓፍቲ ክሕዝ ኣይክእልን። ክቡር ስለ ዝኾነ ክኣ ንገሊኡ መጽሓፍ መጋየጺ ኣቕሓ ይኸውን\" ይብል። ታንዛኒያ፡ ዋላ'ውን ስዋሂሊን ካልኦት ኣፍሪቃውያን ጽሓፍትን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ሃገራ ክወሃብ እንተገበረት ስራሕቲ ጉርናህ ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ሓዲኦም ኣብያተ ትምህርቲ ክኣትው ኣይተገብረን። \"ካብ 1967 ጀሚሩ ካብታ ሃገር ስለ ዝወጽአ ካብ ዛንዚባር ወጻእ ፍሉጥ ኮይኑ'ዩ። ስለዚ ኣብዚ ብዛንዚባራውያን ዝተጽሓፉ ስራሕቲ ብዘንብቡ ውሑዳት ሰባት ጥራይ'ዩ ዝፍለጥ\" ይብል ብጎያ። መጽሓፍቲ ጉርናህ ብኢንግሊዘኛ ዝተጽሓፉ ምዃኖም ሓደ ብብዝሒ ንከይፍለጥ ዝገበረ ምኽንያት እዩ። መብዛሕትኦም ዜጋታት እታ ሃገር ስዋሂሊ'ዮም ዝዛረቡ። ኣብ ቀረባ እዋናት መጽሓፍቱ ናብ ቋንቋ ስዋሂሉ ክትርጎሙ ጻውዒት ክቐርብ ጀሚሩ ኣሎ፟። ኣብ ለንደን መምህር ስዋሂሊ ቤት ትምህርቲ ኤስኦኤስ ዶክተር ኢዳ ሃደጂቫያኒስ ጉርናህ ሽልማት ኖቤል ቅድሚ ምውሳዱ ኣብ ምትርጓም መጽሓፍቱ ክትነጥፍ ጀሚራ ነይራ። ሕጂ 'ፓራዳይዝ' ዝተሰምየ መጽሓፉ ተርጒማ ወዲኣ ኣላ፤ ኣብ ዝቕጽል ዓመት [2022] ድማ ናብ ሕትመት ክበቅዕ እዩ። ፓራዳይዝ፡ ብ1994 ዝተሓትመ መጽሓፍ ኮይኑ ኣብ መጀመርታ 20 ክፍለ ዘመን ኣብ ታንዛኒያ ብዛዕባ ዝዓበየ ቖልዓ የዘንቱ። እዚ፡ ብዙሓት ዓበይቲ ሽልማታት ዝወሰደ መጽሓፍ ኮይኑ፡ ዶክተር ኢዳ ብቋንቋ ስዋሂላ ተርጒማ ምቕራባ ካልኦት መጽሓፍቲ ጉርናህ ኣንበብቲ ክረኽቡ ክሕግዝ ተስፋ ተገይሩሉ ኣሎ። \"መጽሓፍቱ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክንበቡ እንተኽኢሎም ጽልዋ ክፈጥሩ'ዮም\" ትብል። ከም ቲፒኤች ዝበሉ ኣሕተምቲ ድማ እቶም መጽሓፍቲ ንክፍለጡ ጽልዋ ክፈጥሩ ይኽእሉ'ዮም ዝብል ግምት ኣሎ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59146014"} {"headline":"ቅብኣ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ዊኒስተን ቸርችል ብጨረታ ብ7 ሚልዮን ፓውንድ ተሸይጣ","content":"ብቀዳማይ ሚኒሰትር ዓዲ እንግሊዝ ነበር ዊንስተን ቸርችል ኣብ 1943 ዝተሰኣለት ቅብኣ፡ ውርይቲ ተዋሳኢት ኣንጆሊና ጆሊ ኣብ ሎንዶን ናብ ጨረታ ምስ ኣውረደታ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ብ7 ሚልዮን ፓውንድ ተሸይጣ። እታ ቅብኣ ኣብ መጀመርታ 1.8 ሚልዮን ፓውንድ ክትሽየጥ ትጽቢት እኳ ኣንተነበረ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻኢ ብኣስታት ኣርባዕተ ዕጽፊ እያ ተሸይጣ። እታ ‘ዘ ታወር ኦፍ ካቶቢያ ሞስክ’ ዝብል ስም ዘለዋ ቅብኣ ኣብ እዋን ካልኣይ ኵናት ዓለም ኣብ ማራካሽ እያ ተሳኢላ። እቲ ነታ ቅብኣ ብጨረታ ዝዓደጋ ውልቀ ሰብ ክሳብ ሕጂ መን ምኳኑ ኣይተገለጸን ዘሎ። እታ ኣብ ሞሮኮ ማራካሽ ዝተብሃለ ቦታ ዝተሰኣለት ቅብኣ፡ ዊኒስተን ቸርችል ድሕረቲ እቲ ኣብ ካዛብላንካ ኣብ 1943 ዝተኻየደ ኣኼባ እዩ ስኢልዋ። ቀዳማይ ሚኒስተር ዓዲ እንግሊዝ ነበር ዊኒስተን ቸርችል፡ ነታ ቅብኣ ኣጻፊፉ ምስ ወድኣ ኣብቲ ኵናት መላፍንቱ ንዝነበረ ፕረዚደንት ኣመሪካ ፈራንክሊን ሩዝቮልት ክህቦ ወጢኑ እዩ ስኢልዋ። እንተኾነ ኣብ 2011 እታ ስእሊ ኣብ ኒው ኦርልያነስ ንመሸጣ ምስ ወረደት ውርይቲ ተዋሳኢት ኣንጆሊና ጆሊ ዓዲጋ ኣብ ኢዳ ኣጽኒሓታ። እቲ ዝበዝሓ መስርሕ ጨረታ ናይዛ ስእሊ ብቴሌፎን እዩ ነይሩ። እታ ቅብኣ ዋላ እኳ ብ7 ሚልዮን ፓውንድ ትገዛእ፡ ዓዳጊኣ ንኣጫረትቲ ዝኸፍሎን ግብሪ መንግስትን ተሓዊስዎ ልዕሊ 8.2 ሚልዮን ፓውንድ ከፊሉ እዩ ክውንንና። ብሓፈሻ ዊኒስትን ቸርችል ካብ ዝተሰኣሉ ቅብኣታት ኣቐድም ኣቢለን’ውን ሰለስተ ቅብኣታት ብሓደ ናብ ጨረታ ወሪደን 9.43 ሚልዮን ፓውንድ ተሸይጠን እየን። ዊኒስተን ቸርችል ንቅብኣ ወዲ 40 ዓመት ምስ ኮነ እዩ ጀሚርዎ። ኣብ 1930ታት ኸኣ ብዙሓት ቅብኣታት ስኢሉ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56262451"} {"headline":"ተኽለንኪኤል ገብሩ ሰውራዊ ደራፋይ እዩ ነይሩ' - ድምጻዊ ተወልደ ረዳ","content":"ነብሲ ወከፍ ስነ ጥበባዊ ኣብ ልቢ ህዝቡ ብዝተኸሎ ተዘካሪ ፍርያቱ እዩ ዝዝከር። ብኣበርክቶን ፍርያቱን ጥራሕ ዘይኮነ ግን ብእሩም ስነ-ምግባሩን ረዚን ጠባዩን ብዝያዳ ይኽበር። ድምጻዊ ተኽለንኪኤል ገብሩ ከኣ ንኽልቲኡ መምዘኒታት ይበቕዖ። \"ተኽለንኪኤል ገብሩ ሃገራዊ ስምዒት ዘበራበረ፡ ባህላዊ ዜማታት ሕብረተሰብ ዝበርበረ 'ሰውራዊ ደራፋይ' እዩ ነይሩ - ረዚን ሃገራዊ ከኣ\" ብምባል፡ ስሙይ ድምጻዊ ተወልደ ረዳ ብሕልፈት እቲ በሃር ስነ-ጥበባዊ ዝተሰመዖ ከቢድ ሓዘን ይገልጽ። ሕልፈት ድምጻዊ ተኽልንኪኤል ገብሩ ንኹሎም እቶም ብደርፍታቱ ዝተጸልው ርዝነት መልእኽቱ ዝሰምዑ፡ ኣራምን መሃርን ነቐፌታቱ ዘስተማቕሩ፡ ኣድነቕቲ ዕዮኡ ብዙሕ ኣሰንቢዱ'ዩ። ብዝያዳ ግን ነቶም ብክራሩን ደርፉን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነቶም ዕላሉን ወግዑን ዋዛታቱን ሓልዮትን ዘስተማቐሩ ብኣካል ዝፈልጡዎ ሓለፋ ኣለዎ። ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ ኣርባዕተ ዓመታት ናይ ሰብዓታት፡ ከም ምስ ዑስማን ዓብደሪሒም፣ ተኽለ ተስፋዝጊ፣ ኣቡ ዓብደላ፣ ስልጣን ያሲን፣ ተመስገን ገብረሂወት፣ መምህር ሰለሙን ገብረእግዚኣብሄርን ተኽለንኪኤል ገብሩን ካልኦትን ኣብ ዝነበሩዋ ኣዱሊስ ባንድ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ትንቀሳቐስ ነይራ። እዛ ባንድ \"ሓረስቶት ዘለኹም ኣብ ዘራእቲ ኤርትራ፤ ኣብ ገዛና ዘለኹም ተቐማጦ ሰብ ክራይ\" ዝብል ፖለቲካዊ መልእኽቲ ዘለዎ መለዓዓሊ ደርፍታትን \"ንርስቲ ይዋግኣላ ኣንስቲ፡ ለባም ሰበይቲ ንሰብኣያ ዘውዲ\" ዝብላ ትያትር ሒዛ ነይራ። ኣብዚ፡ ኣብ ትያትርን ደርፍን ዝተዋሰአት ተጋዳሊት ለምለም ጸሃየ፡ \"ተኽለንኪኤል ገብሩ ኣብ ኣስመራ ይኹን፡ ኣብ ገድሊ ከምኡ እውን ኣብ ሰብ ስደት ንዝኣመነሉ ነገር ዝስየፍ፣ ኣዎንታ እምበር ኣሉታ ዘይሓስብ፣ ዕላልን ወኻዕታን እንተዘይኮይኑ ሕሜታ ዘይፈቱ ቅኑዕ ሰብ'ዩ ነይሩ\" ክትብል ትገልጾ። ሕልፈት ወዲ ገብሩ ምስ ተነግረ፡ ኣብ ዝተፈለላየ ኣጋጣሚ ብቐረባ፣ ብኣካል ይኹን ብርሑቕ፡ ብከም \"ኣቑርደት ተሰነይ መሬት ዓርኮብኮባይ፤ ኣቲ ሰሓብ ገመል ሰታይ ጸባ፤ ወረጦ ወረጦ፤ ሰመያዊት ለምለም፡ ንኹሉ እንቋዕ ኣርከብኩሉ\" ዝብልን ካልእን ደርፍታቱ ዝፈልጡዎ ኣድነቕቲ ሞያኡ ዝተሰመዖም ጓህን ሓዘንን ብሰፊሑ ገሊጾም። ተኽለንኪኤል ገብሩ ግን መን እዩ? ዳርጋ ንኹሉ እዚ ሕቶታት እዚ ባዕሉ ወዲ ገብሩ ኣብቲ ዘፍርዮ ስነ ጥበባዊ ስርሓትን ጉዕዞ ህይወቱን መሊሹዎ ኣሎ። \"ወዲ ገብሩ ንኡስየ - ዑና-ናላይ ዝዓዱ ጥቓ ሽማ ንጉስ'የ\" እትብል ደርፉ ዝሰምዐ ሰብ፡ ተኽለንኪኤል ገብሩ ኣብታ ካብ ኣስመራ ኣስታት 20 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ እትርከብ ዑና-ናላይ ዓዲ ከምዝተወልደ ክርዳእ ይኽእል። ተኽለንኪኤል ካብ ኣቡኡ ገብሩ ወልደጋብርን ወላዲቱ ደሃብ ገብረዮውሃንስን ኣብ 1950 ኣብታ ብዜምኡ ዝነገረላ ዓዱ ዑናናላይ ተወሊዱ። ገና ኣብ ንእስነቱ ኣቡኡ ስለዝሞቱዎ ኣብ ካልኣይ ክፍሊ ትምህርቱ ኣቋሪጹ፡ ንነብሱን ወላዲቱን ክጥዉር፡ ኣብ ኣቑርደት ኣብ ጀርዲን ሰሪሑ። ካብኡ ኣብ እንዳ ክርቢት ኣስመራ እናሰርሐ ክራር መሊኹ፡ ኣብ ውሽጡ ንጸንሐ ስነ ጥበባዊ ተውህብኡ ኣብ እንዳ ስዋታት ኣባሻውል ኣበራቢሩ ኣብ ጓይላን ዉራይትን ክጻወት ከም ዝጀመረ ናይ ቀረባ ፈለጥቱን ኣብ ፋንዎኡ ዝተነበ ዛንታን የረድእ። ድምጻዊ ተወልደ ረዳ፡ ወዲ ገብሩ ክሳብ መፋርቕ ሰብዓታት ብዘፍረዮ ሃገራዊ ዜማታት ድሮ ኣብ ልቢ ህዝቢ ከም ዝሰፈረን ኣብታ ኣብ ኣስመራ ዝነበረት ናይ እንዳ ሙዚቃ ትካሉ ዓማዊል መመጺኦም በጃኻ እባ ናይ ወዲ ገብሩ ካሴት ወልዓልና ይብሉዎ ከም ዝነበሩን ይዝክር። \"ደርፍታቱ፡ ብያታዊ ዜማታት ዝተቐናበረ ረዚን መልእኽቲ ዘለዎ ሃገራዊ ስምዒት ዘበራብር ተዘካሪ እዩ\" ክብል ብኣድናቖት ይገልጾ። ኣብ ከተማ ለንደን ዝነብር \"ሚ - ሬኤካ ትም፡ ወም- ሰማዕካ ትም\" ብእትብል ኣንጻር ምልኪ ብዜዘማ ደርፊ ዝዝከር፡ ኣባል ማሕበር ትያትር ኣስመራ (ማትኣ) ነበር ገዲም ስሙይ ድምጻዊ ሑሴን መሓመድ ዓሊ \"ወዲ ገብሩ ካብቶም መዘናታቱ ድምጻውያን ቁሩብ ስጉም ዘበለ፡ ብድምጹን ክራሩን ንመንእሰያት ኤርትራ ዘበራበረ ተባዕ ድምጻዊ ስለ ዝነበረ ኣነ ዶክተር ክብል እየ ዝሰምዮ\" ክብል ብሕልፈቱ ዝተሰመዖ ሓዘን ይገልጽ። ወዲ ገብሩ ህዝብን መንእሰያትን ኣለዓዒሉ ኣብ ገዝኡ ኮፍ ኣይበለን። እቲ ብኽቱር ሃገራዊ ስምዒት ዘንጎድጉዶ ዝነበረ ደርፍታቱ ንዕኡ እውን ኣብ 1974 ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ዝካየደሉ ሜዳ ኤርትራ ንባርካ ኣውሪዱዎ፡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ጀብሃ ተሰሊፉ። እቲ ደፋር ተቓውሞኡ ኣብ ጀብሃ ምስ ከደ እውን ኣይገደፎን፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልተ አሕዋት ዝካየድ ዝነበረ ኵናት ሓድሕድ ይቃወሞ ከምዝነበረ ሑሴን ማሕሙድ ዓሊ ይገልጽ። \"ወዲ ገብሩ ዓሌትን ወገንን ዘይፈልጥ ንጹህን ተባዕን ሃገራዊ እዩ\" ከኣ ይብሎ። እቲ ኣብ ፋንዎኡ ዝተነበ ጽሑፍ \" ተኽለንኪኤል ገብሩ ብቃላቱ ምስልታት ዝስእል፡ ብዜምኡ ስምዒታት ዘዕርግ፡ …… ኣብ ኩሉ መድረኽት፡ ክሳብ ሕጂ ብግዜ ተፈቲኖም ዘይሃሰሱ ኣማኢት ረዘንቲ ስርሓት ዘበርከተ ኣርካን'ዩ\" ክብል ይገልጾ። እቲ ዓበይትን ዓድን ሽማግለታትን ኣስመራን ከባቢኣን ኣብ መንጎ ኵናት ክልተ አሕዋት ኣትዮም ዝሸምገሉዎ ብዙሓት ሃገራውያን ተቓለስትን ምሁራትን ዓገብ ዝበሉዎ ኵናት ሓድሕድ ስለዝቐጸለ ተኽለንኪኤል ገብሩ ተሓኤ ጠቕሊላ ናብ ሱዳን ቅድሚ ምእታዋ ናብ ስደት ኣምሪሑ። ፈለማ ኣብ ሱዳን ዳሕራይ ኣብ ስዑዲ ካብኡ ከኣ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ክነብር ጸኒሑ። ይኹን እምበር ዋላ እኳ ኣርሒቑ እንተተሰደ ኣካሉ እምበር መንፈሱ ኣይረሓቐን። ወዲ ገብሩ ኣብ 1988 እውን ህዝባዊ ግንባር ናብ ዝቆጻጸሮ ሜዳ ኤርትራ ኣትዩ ምስቶም ንነጻነትን ሃገራዊ ክብረትን ዝቃለሱ ዝነበሩ ተጋደልትን ንጥፈታት እቲ ውድብን ተላልዩ ነይሩ። ናጽነት ኤርትራ ምስተረጋገጸ ከኣ ካብ ስደት ንሃገሩ ተመሊሱ ክሳብ ዕለተ ዕረፍቱ ኣብታ ዝፈትዋን ዘኽብራን ኤርትራ ክነብር ጸኒሑ። ተኽልንኪኤል ገብሩ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት \"ንኹሉ እንቋዕ ኣርከብኩሉን፤ ኣሳጉማይ ወሲኸሉ ዘበዘብን ዝብላ ክልተ ኣዝየን ተዘከርትን ረቂቕ መልእኽቲ ዘለወን ደርፍታት ሓድጊ ገዲፉ ኣሎ። ኣብዚ፡ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ኤርትራ፡ ከም ኣብ እዋን መግዛእቲ ስርዓት ሃይለስላሰን ደርግን ብጸቢብ ናይ ምምያ (ሳንሱር) ቁጽጽር ዝሓለፈሉ ዘሎ እዋን ንኹሉ እንቋዕ ኣርከብኩሉን፡ ኣሳጕማይ ወሲኸሉ ዘብዘብ ዝብል ረቂቐ ትሕዝቶ ዘለዎ ደርፊ ምድራፉ ከኣ መርኣያ ናይቲ ተባዕን ደፋርን ባህሪያቱ እዩ ይብል ድምጻዊ ሑሴን መሓመድ ዓሊ። ብዙሓት ካልኦት እውን ነቲ ኣረኣእያ ይሰማምዑሉ። ኣብታ ነቐፌታ ዘይጸውር ስርዓት ኤርትራ ተኽልንኪኤል ገብሩ በቲ ነቓፊ ባህሪያቱ ጸገማት ከየጋጥሞ ዝሰግኡ ፈለጥቱ ብዙሓት እዮም። ግን ከኣ ኣብ ርእሲ እቲ ድፍረቱ ስነ-ጥባበዊ ርቀት እውን ስለዝሓገዞ ክሳብ ሕልፈቱ ንሓንሳብ \"ኣንታ ገለ'ኳ ይብሉኒ\" እናበለ ክነብር ከም ዝጸንሐ ቀረባ ፈለጥቱ ይዛረቡ። \"ኣሳጉማይ ወሲኸሉ ዘበዘብ ጌና'ለኹ፡ ጌና፡ ዘሎ ይትዓዘብ ሚዶ'ንታይ ይኾኖም ንበራሓት ምኽሪ ኣይደልን'የ ካብ ፈራሓት ክቅጽል'የ ብዘለኒ ብልሓት ዓባሩ'ምበር ኣይርእን ስቡሓት\" ዝብል ነግሒ ሕዳመኡ፡ ናብ ዝደለኻዮ ከተሽርፎ እኳ ዝከኣል እንተኾነ፡ ንባህርን ጠባይን ተኽልንኪኤል ዝፈልጡ ብዘይ ምኽንያት ኣይበላን ዝብል ርእይቶ እዮም ዘቕርቡ። \"ከዕልለኩም ቀንዲ ሕመረቱ ታሪክ ኣሎ ንታሪኽ ዘዘንቱ ሴፍ እንዳ ጉራደ ዘይኣቱ ኣይህውትትን'የ ምስ'ቶም ዝሃውተቱ\" እትብል ካልአይቲ ነግሒ እውን ዋላ'ኳ \"ዓጢቐዮ'ለኹ፡ ሓምላይ ክቕይራ ኣታ ነዛ ሃገር፡ መሬታ ምስ ባሕራ ወረ ናይ ጀጋኑ፡ ኣለኒ ሓደራ እዚ ኹዳ እዩ ጌና'ሎ እቲ ስብራ\" ዝብል እቲ መንግስቲ ኤርትራ ዓመት ዓመት ዝብሎ ግን ከኣ ገና ንሰላሳ ዓመት ድሕሪ ናጽነት ውጽኢቱ ዘይተራእየ ሓውሲ ጭርሖ መሰል ማይ ቤት ኣኸቲሉ ነብሱ ክከላኸል እንተፈተነ፡ ካልአይቲ ነግሒ ግን ከምቲ ቐደም ኣብ እዋን መግዛእቲ ዝድረፍ ዝነበረ ሰብ ናብ ዝደለዮ ከእትዎ ዝኽእል መልእኽቲ ኣለዋ ይብል ሑሴን መሓመድ ዓሊ። ገዲም ሃገራዊ ድምጻዊ ተወልደ ረዳ፡ ንተኽለንኪኤል ገብ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ምፍልላይ ቅድሚ ወርሕን ፈረቓን ስልኪ ደዊሉ፡ ጥዕንኡን ሃለዋቱን ሓቲቱዎ ነይሩ። ተኽልንኪኤል ጥዕንኡን ናብርኡን ጽቡቕ ከም ዘሎ ገሊጹሉ። ክልቲኦም ብክቱር ናፍቖት ደሃይ ሓድሕድ ተለዋዊጦም። ኣብ ዝቕጽል ግዝያት ብዝሰፍሐ ከዕልሉን ክዘራረቡን ተሰማሚዖም ከኣ ተፈላልዮም። እንተኾነ ሞት ከይጸዋዕካዮ እዩ ዝመጽእ ከም ዝበሃል ሃንደበት ተኽልንክኤል ገብሩ ኣብ መበል 71 ዓመት ዕድመኡ ካብዛ ዓለም ብሞት ምስ ተፈልየ ተወልደ ረዳ \" ካልኣይ ሳዕ ከየዕለልኩዎ!\" ብማለት ብልቢ ሓዚኑ። ኩሎም እቶም ብሞት ተኽልንኪኤል ገብሩ መሪር ጓሂ ዝተሰመዖም ኣብዚ ዓንቀጽ ንቢቢሲ ርእይተኦም ዘካፈሉን ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ሓዘኖም ዝገለጹን ኩሎም ንመዋቲ መንግስተ ሰማይ ንስድራ ቤትን ፈተውትን ከኣ ጽንዓትን ኣኻእሎን ተመንዮም።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58381488"} {"headline":"ኣብ ውድድር ደርፍታት ‘ዩሮቪዥን’ ኢጣልያ እንትትዕወት እንግሊዝ ነጥቢ ኣይረኸበትን","content":"ኣብ ከተማ ሮተርዳም ኣብ ዝተኻየደ ‘ዩሮቪዥን’ ዝተሰምየ ውድድር ደርፍታት ኣውሮጳ፡ ኢጣልያ ቀዳመይቲ ኮይና እንትትዕወት፡ እንግሊዝ ድማ ባዶ ነጥቢ ብምርካብ መወዳእታ ወጺኣ። ኣብቲ ዓብዪ ትጽቢት ዝግበረሉ ኣውሮጳዊ ውድድር ደርፍታት፡ ኢጣልያ ዝተዓወተትላ ደርፊ፡ ‘Zittie e Buoni’ ብእተስምዕ ሓዳሽ ዜማ እያ። ካብቶም ዝተዓወቱ ኣባላት ጉጅለ ‘ማንስኪን’ ሓደ ዝኾነ ስነጥባባዊ ዳምያኖ ዳቪድ፡ ነቲ ውጽኢት ምስተነግረ፡ ዓው ኢሉ ‘ሮክ ኤንድ ሮል ነቨር ዳይስ’ ኢሉ ክጭርሕ ተሰሚዑ። ንዓዲ እንግሊ ግን ኣዝዩ ዘሕርቕ ለይቲ ዝነበረ ኮይኑ፡ ጄምስ ኒውማን ዝተባህለ እንግሊዛዊ ተወዳዳራይ ስነጥበባዊ ባዶ ነጥቢ ዝረኸበሉ መድረኽ ኮይኑ ተመዝጊቡ ሓሊፉ። ዩናይትድ ኪንግደም፡ ኣብዚ ተመሳሳሊ ውድድር መወዳእታ ክትወጽእ ንሓምሻይ ግዜኣ ኾይኑ፡ ባዶ ነጥቢ ክትረክብ ድማ ንካልኣይ ግዜኣ እዩ ተባሂሉ። እታ ናይ መጀመርታ ባዶ ነጥቢ ዝረኸበትሉ ውድድር ብ2003 ኣብ ዝተኻየደ እዩ ነይሩ። እቲ ኣብቲ ናይ ሕዚ ባዶ ነጥቢ ብምርካብ ሃገሩ ኣብ መወዳእታ ደረጃ ንክትስራዕ ምኽንያት ዝኾነ ኣርቲስት፡ ኒውማን ግን ኣብቲ መድረኽ ክምስታ ዝተመልኦ ገጽታ ኣርእዩ ተባሂሉ። ርእይቶ ወሃቢ በዓል ሞያ ግራሃም ኖርሮን ግን፡ “ይቕሬታ ንጄምስ፤ ኣብዚ ንዝተኣከብኩም ኩላትኩም ግን ‘እንኳዕ ደስ’ በለኩም ክብል እፎቱ፤ ርግጽ ኣብዚ ዘሕጉስ ኣውሮጳዊ መድረኽ፤ ብዙሓት ዝሓዘኑ ሰባት’ውን ይህልዉ እዮም” ኢሉ። ካልኦት ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ከም በዓል ማት ሉቃስ ዝኣመሰሉ ኣድነቕቲ’ቲ ዘይቀንዖ ስነጥበባዊ፡ ‘ንፈትወካ ኢና ጄምስ፤ ኣጆኻ’ ክብልዎ ተሰሚዖም። ኣዳላዊ ቢቢሲ ብሬክፋስት፡ ዳን ዎከር ብወገኑ፡ ‘ብሰሓቕ ዝተሰነየ ገጽታ’ ገለ ክብል ኣጽናኒዕዎ። እንተኾነ፡ ካልኦት ኣብ ትዊተሮም ከምዝበልዎ፡ እቲ ተወዳዳራይ፡ ትሑት ኣፈጻጽማ ከምዘርአየን ካብኡ ኣብሊጹ ክሰርሖ ይግባእ ከምዝነበረን ጽሒፎም። እቲ ማንስኪን ብዝብል ዝፍለጥ ጉጅለ ድሕሪ 2006 ክዕወት ፈለምኡ ኾይኑ፡ ኢጣልያ ድማ ኣብቲ ውድድር ድሕሪ 1990 ተዓዊታ ኣይትፈልጥን ነይራ። ሓንቲ ካብቶም ኣባላት እቲ ጉጅለ፡ እቲ ዓወት ነታ ብኮሮናቫይረስ ኣዝያ ዝተሃሰየት ሃገራ፡ ዓብዪ ሃሴት ዝፈጥር ከምዝኾነ ገሊጻ። “ኣብ ዝሓለፍናዮ ሕማቕ ዓመት እዚ ዓብዪ ተስፋ ዝፈጥር ዜና እዩ” ኢላ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57219758"} {"headline":"ዓቢ ውልቀ መላኺ'፡ ኣብ ልዕሊ ኣዶልፍ ሂትለር ክዋዘ ዝደፈረ ፊልም","content":"ብዛዕባ ሓደ ፊልም ኢና ክንነግረኩም። 'ዓብዪ ውልቀ መላኺ' ወይ ድማ 'ዘ ግሬት ዲክታተር' ርእሲ እቲ ፊልም እዩ። እቲ 'ዘ ትራምፕ' ብዝብል ናይ ገጸ ባህርይ ሽሙ ዝፍለጥ ኢንግሊዛዊ ስሙይ ተዋሳኢ ቅይዐ ቻርሊ ቻፕሊን ዝተዋስአሉን ዝጽሓፎን እዩ። ናይ 80 ዓመት ዕድመ ዘቑጸረ ፊልም 'ዓብዪ ውልቀ መላኺ' ድማ፡ ቻርሊ ቻፕሊን ከየናሕሰየ ንመራሒ ጀርመን ኣዶልፍ ሂርለር ኣባጭዩሉ። እቲ ኣብ ልዕሊ ኣዶልፍ ሂትለር ዘባጪ ፊልም፡ ቀዳማይ ምርጫ ምዝንጋዕ ዓርቢ ምሸት ሰራዊት ናዚ ክትከውን'ያ ዝብል ግምት'ኳ እንተዘይነበረ ብ1940 ኣብ ጀርመንን ግዝኣት ጀርመን ኣብ ዝኾና ሃገራትን ከይርኣይ ተኸልኪሉ። ብተወሳኺ፡ እቲ ስራሕ ኣብ ብሪጣንያ ኮነ ኣመሪካ ንከይርአ ተኸልኪሉ እዩ። ኣብቲ ግዜ ዝነበረ መንግስቲ ብሪጣኒያ፡ ጎንጺ ንምውጋድ ሕድገት ፖለቲካዊ ወይ ማተሪያላዊ ጉዳያት ናብ ኣጥቃዒ ሓይሊ ናይ ምልዋጥ ዲፕሎማዊያዊ ፖሊሲ ይኽተል ነይሩ። እዚ ከኣ ፖሊሲ ምስሉይነት [ኣፒዝመንት ፖሊሲ] ተባሂሉ ይፍለጥ። እዚ፡ ካብ 1929 ክሳብ 1935 ኣብ ስልጣን ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስትር ራምሳይ ማክዶናልድ፣ ስታንሊ ባልድዊን [1935 - 1037]፣ ብቐንዱ ከኣ ኔቪሌ ቻምበርሊን [1937 - 1940]፡ ንናዚ ጀርመንን ፋሽሽት ጥልያንን ዝተጠቐምሉ ፖሊሲ እዩ። እዚ ፖሊሲ ብሪጣኒያ ክሳብ 1939 ክቕጽል እንከሎ፡ ኣመሪካ ክሳብ ታሕሳስ 1941፡ ፊልም 'ዘ ግሬት ዲክታተር' ምስ ተለቐቐ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣይተጸምበረትን ነይራ። ቻርሊ ቻፕሊን ከኣ ዋላ'ውን መንግስቲ ኣይፍቀድ ኣብ ስቱዲዮ ኮይኑ ምጽሓፍን ምስኣልን ቀጺሉ። ንሱ ኣብ ዝጽሓፎ ርእሰ ታሪኽ ህይወቱ፤ ብምኽንያት እዚ ፊልም \"ኣዝዮም ዘስግኡ መልእኽታት ይበጽሑኒ ነይሮም\" ክብል ኣስፊሩ እዩ። \"ናይ ምመያ ጸገማት ከጋጥሙኒ ከም ዝኽእሉ ኩባኒያ ቴሌቪዥን ዩናይትድ ኣርቲስትስ ይንገሮ ነይሩ። እቲ ናይ ኢንግሊዝ ቤት ጽሕፈት'ውን በቶም ኣንጻር ሂትለር ዝገልጹ ስእልታት ስግኣት ስለ ዝነበሮ ኣብ ብሪጣኒያ ክርአ ድዩ ዝብል ጥርጣረ ነይሩዎ'ዩ። እቶም ዚያዳ ዘጨንቑ ደብዳበታት ከኣ ኣብ ኒውዮርክ ካብ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ዝመጽኡ እዮም ነይሮም። እዚኦም እቲ ፊልም ኣብ ኢንግሊዝ ወይ ኣመሪካ ስለ ዘይርኣይ ኣይትስኣል ዝብሉ እዮም ነይሮም\" ኢሉ። ቻፕሊን ግን በዚ ሸብረኽ ዝብል ኣይነበረን። ፊልም 'ዓብዪ ውልቀ መላኺ' ምስራሕ ኣገዳሲ'ዩ ይብል ስለ ዝነበረ ከም ዝስራሕ ርግጸኛ እዩ ነይሩ። ኮይኑ ከኣ፤ ብ1941፡ ኣብ ኣመሪካ እቲ ካልኣይ ዝዓበየ ፊልም ኮይኑ ደረጃ ቦክስ ኦፊስ ሒዙ። እቲ ፊልም ዝተፈነወሉ መበል 80 ዓመት ኣብ ዝኽበረሉ ግዜ፡ ተኽእሎ ኣመተ ቻፕሊን ግሩም ነይሩ። እቲ ዓብዪ ውልቀ መላኺ ዘሀድስ መዛነዪን ዝፍራሕ ድራማን ዘርእይ ፊልም ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንስነ ልቦና ሂትለር ቅልዕ ኣቢሉ ዘርኢይ ንኡድ ስራሕ እዩ። \"በዓል ራኢይ ነይሩ። መራሕቲ ክርእዩዎ ዘይኽእሉ መጻኢ ዝሰፈየን ኣብ ግንባር ሂትለር ጠጠው ዝበለን እዩ\" ይብል ኣርካን ፖለቲካል ሲነማ ኮስታ ጋቭራስ። ቻፕሊን፡ ፊልም 'ዓብዪ ውልቀ መላኺ' ኣብ ዝሰርሐሉ እዋን፡ ንነዊሕ እዋን ንናዚ ይንዕቆም ነይሩ፤ ንሳቶም'ውን ከምኡ። ናይ ጀርመን ናይ ፕሮፖጋንዳ ፊልም፡ ንቻፕሊን ሓደ ካብቶም \"ናብ ጀርመን ዝመጽኡ ወጻእተኛታት ኣይሁድ\" ኢሉ ነቒፉዎ እዩ። ቻፕሊን ግን ኣይሁዳዊ'ውን ኣይኮነን። ሓደ ሕታም ኣመሪካ ድማ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣይሁዳውያን ስደተኛታት ንክወጽኡ ገንዘባዊ ሓገዝ ብምግባሩ \"ሙሴ፡ መበል 20 ክፍለ ዘመን\" ኢሉ ሳጓ ሂቡዎ ነይሩ። ቻፕሊን፡ ነዚ 'ዓብዪ ውልቀ መላኺ' ዝብል ርእሲ ዝሃቦ ፊልም ክሰርሕ ክብገስ እንከሎ፡ \"ልኡኽ ሒዙ ዝነበረ ሰብ'ዩ\" ይብል ጸሓፊ ቻፕሊን፡ ገድሊ ትራምፕ (The Tramp's Odyssey) ሲሞን ሎቪሽ። \"ከም ሎረልን ሃርዲን ዝበሉ ዘመናዊ ስራሕቲ፡ መስሓቕትን ገንዘብ ዘምጽኡን'ዮም። ቻፕሊን ግን ክብሎ ብዛዕባ ዝደለዮ ነገር ዕቱብ'ዩ። 'ዓብዪ ውልቀ መላኺ' ፊልም ጥራሕ ኣይኮነን። ዝድለ ዓይነት ስራሕ'ዩ ነይሩ\" ይብል። ክሳብ ሕጂ፡ ቻፕሊን ዝነበሮ ምልዕዓል ልዕሊ ስምዒት ሰብኣውነት እዩ። ከምኡ'ውን ምስ ሂትለር ብዘይተለምደ ኩነታት ዘራኽቦ ነገር ምህላዩ የግርመሉ ነይሩ። ክልቲኦም፡ ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ ሚያዚያ 1889 እዮም ተወሊዶም። ክልቲኦም ብመልክዕ'ውን ከም ዝመሳሰሉ ንምርግጋጽ እንተደሊኹም፡ ኢንግሊዛዊ ቀይዓይ ቶሚ ሃንድለይ \"እቲ ሰብኣይ መን'ዩ . . .?\" (ንቻርሊ ቻፕሊን ዝመስል) እትብል ሙዚቃ ብ1939 ዓ.ም ሰሪሑ እዩ። ናይ ክልቲኦም መበል 50 ዓመት ዝጸንበለ መጽሄት ስፔክታተር፡ \"ቻርለስ ቻፕሊንን ኣዶልፍ ሂትለርን ንሓድሕዶም ኣብ ውሽጢ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ኣፈላላይ ናብዛ ዓለም ምምጽኦም፣ ዝተወለድሉ ወርሒ፣ ኣብ ገጾም ዘሎ ጭሕሚ ተመሳሳሊ ምዃኑ ተፈጥሮ ኢግዚኣብሄር ዝዓደሎም ክኸውን ይኽእል'ዩ። ግን ድማ ክልተ ዝተፈላለየ ምስሊ ዘለዎም ሰባት'ዮም፤ እቲ ሓደ ንጽቡቕ ዝተፈጥረ፤ እቲ ኻልኣይ ድማ ዘይተነግሩ ክፋኣት ዝተምልኣ\" ክብል ጽሒፉሎም ነይሩ። ኣብ ሃንጋሪ ዝተወልደ ኢንግሊዛዊ ኣዳላዊ ፊልም ኣሌክሳንደር ኮርዳ፡ ቻፕሊን እቲ ኣብ ሞንጎኦም ዘሎ ምምስሳል ጸንቂቑ ክጥቀመሉ ከም ዘለዎ የማኽሮ። ግን ድማ፡ እዚ \"ንኡሽቶ ትራምፕ\" ብዝብል ዝፍለጥ ቻፕሊን ኣብ ሙሉእ እቲ ፊልም ሓደ ዘይብዳህ ውልቀ መላኺ ኮይኑ ክዋሳእን ተመልካቲ ክቕበሎ ንምግባርን ክበዝሕ ስለ ዝኽእል፡ ክልተ ነገራት ጥራሕ ክዋሳእ መሪጹ። ገጸ ባህርይ ውልቀ መላኺ ቶማኒያ ኣዴኖድ ሂንክልን ሓደ ሕያዋይ፣ ናይ ምርሳዕ ጸገም ዘለዎን ሽሙ ዘይፍለጥ \"ኣይሁዳዊ ቀምቃሚ ጸጉርን\" ኮይኑ ክጻወት መሪጹ። ኣብ ሞንጎ እቲ ወልቀ መላኺ ሂንክልን ኣይሁዳዊ ቀምቃሚ ጸጉርን ዝነበረ ንጽጽር፡ ብሓባር ዝኸይድ እዩ ነይሩ። እዚ ምምስሳል፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ደቂ ተባዕትዮ ምግጋይ ክፈጥር ክኢሉ። ግን ድማ ክሳብ እቲ ዝለዓለ ነጥቢ እቲ ፊልም ኣይነበረን። ቻፕሊን'ውን፡ በቲ ፊልም ኣቢሉ እቶም ግዳያት ቅትለት ናዚ ዝኾኑን ሓላፍነት እቲ ግፍዒ ዝወስድ መን'ዩ ዝብል ከይርስዑን ገይሩ'ዩ። ኣብ ቤተ መንግስቲ ሂንከል ዝርኣይ ምስሊ እቲ ፊልም ላግጺ ዝበዝሖ እዩ። ገበናት እቶም ውልቀ መለኽቲ ኣይተሓብኡን፤ ሂንከል 3000 ተኸተልቲ እምነት ፕሮቴስታን ክቕተሉ ኣዚዙ'ዩ። ቻፕሊን ግን፡ ኣብ ትዕቢት፣ ድንቁርናን ዘይብስለትን እቲ ገጸ ባህርይ ትኹረት ገይሩ። ኣብዚ ፊልም፡ ክልተ ጭሕሞምን ኣቀማምጥኦምን ኣስተኻኺሎም ንወንበርን ስእሊ ክስኣሉን ዝጓየዩ መራሕቲ ይርኣይ'ዩ። ናይዚ ጭብጢ፡ ሂንከል ስትራቴጂካዊ ብልሒ ዘለዎ ወይ ግዙፍ መራሒ ዘይኮነ፡ ኣብ ዘይዕድሚኡ ዝዓበየ ብጽሒ፣ ኣብ ዘይጭበጥ ዓለም ዝነብር፣ \"ንጉስ ዓለም\" ክኸውን ዝሓልም እዩ ዝብል እዩ። ብተወሳኺ፡ መታለልን ህዝቢ ብዛዕባይ እንታይ ይብል ብዝብል ነብሰ ፍትወት ዝዓወረ ዓርሰ እምነት ዘይብሉ ሰብ እዩ ይብል። ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐሉ ግዜ ንምንዋሕ ናይ ባዕሉ ፖሊሲታት ዝቕየያርን ብኽነት ዘብዝሕን ምዃኑ ብዘርኢ ገይሩ'ዩ ቀሪጹዎ። ቻፕሊን ኣብ ዝጽሓፎ ርእሰ ታሪኽ \"ዓለም ንመምሰልቲ ላግጺ'ያ፤ ካብ ሂትለር ንላዕሊ መምሰሊ ከኣ ኣይርከብን\" ኢሉ። እቲ ፊልም ግን፡ ግፍዕታት ናዚ ኣቕልል ኣቢሉ ዘርኢ ብምዃኑ ይንቀፍ። ቻፕሊን ባዕሉ \"ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ጀርመን ዝተፈጸመ ግፍዒ እንተዝፈልጥ ነይረ፡ ፊልም ዓብዪ ውልቀ መላኺ ኣይምሰራሕኩዎን ነይረ፤ ተዋዛያይ ፊልም ኣይምገበርኩዎን\" ኢሉ እዩ። ኣብዚ ግዜ ብዛዕባ ዘለው ውልቀ መለኽትን ብቐጻሊ ክመጽኡ ብዛዕባ ዝኽእሉን ሕሰቡ። ቻፕሊን ነቒሱ ዘውጽኦም ባህሪያት ምርካብኩም ኣይተርፍን። እዚኦም፡ ስእሊ ንክስኣሉ ዘለዎም ድልየት ልዑል ምዃኑ፣ ሕሉፍ ኣነባብራ ዝመርጹ፣ ጽኑዕ ፖሊሲ ዘይብሎም ምዃኖም፣ ንባዕሎም ዘኽብሩ ምርኢታት ዘብዝሑ፣ ሽልማት ዝፈትው እዮም።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/55969833"} {"headline":"ናይ ትልሂት ሞይኣ ንጥዕናዊ ሓገዝ እተውዕል ሳዕሳዒት","content":"ጓል 3 ዓመት እንከላ ኣትሒዛ ምስዕሳዕ ከምዝጀመረት እትገልጽ ዲንኬ ፍላወርስ፡ ንሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ ገንዘብ ንምትእኽኻብ ብድሆ [ቻለንጅ] ተዋሂብዋ’ሎ። እዚ ንምግባር ድማ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ናይ ልምምድ ክፍለ ግዜ ኣውጺኣ ኣብ ስራሕ ትርከብ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56429614"} {"headline":"ኪም ካርዳሽያንን ካንየ ዌስትን ድሕሪ ፍትሕ፡ ደቆም ብሓባር ከዕብዩ ተሰማሚዖም","content":"ካንየ ዌስትን ኪም ካርዳሽያንን ንዝወለድዎም ኣርባዕተ ቆልዑ ብሓባር ከዕብዩ ተሰማሚዖም። ካርዳሽያን ብ19 ለካቲት ናይ ፍትሕ ጥርዓን ናብ ቤትፍርዲ ዘቕረበት ኮይና፡ ካንየ ነዚ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ'ዩ ከም ዝተሰማምዐ ሓቢሩ፤ በዚ ድማ እቲ ንከባቢ ሸውዓተ ዓመታት ዝጸንሐ ሓዳሮም የኽትም ኣሎ። ክልቲኦም ኣብ ዘቕረብዎ ጥርዓን፡ ኣብ ሓዳር ክቃደዉ ስለዘይከኣሉ ከፍርስዎ ከም ዝተሰማምዑ ሓቢሮም። ካንየን ኪምን ሸውዓተን ሰለስተን ዓመት ዝዕድሚአን ክልተ ኣዋልድን ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ክልተ ዓመት ዝመልኦም ክልተ ኣወዳትን ቆልዑ ኣለዎም። ኣብ ሓዳር ኣብ ዝነበሩሉ ዓመታት ክልቲኦም ብመሰረት ዝገበርዎ ስምምዕ ንብረቶምን ገንዘቦምን ፈላልዮም ይሕዙ ምንባሮም እቲ ኪም ንፍትሕ ኣቕሪባቶ ዘላ ጥርዓን የርእይ። እቶም ተጻመድቲ በብዓውዶም ተፈላጥነት ዘጥረዩ ኮይኖም ብዙሓት ንሓዳሮም ብቕርበት ክከታተልዎ ጸኒሖም እዮም። ጓል 40 ዓመት ኪም፡ ፈለማ በቲ ኣብ ቴለቪዥን ብዛዕባ ስድራቤታ ብእተቕርቦ ተኸታታሊ መደባት ኣብ 2007 እያ ህቡብነት ኣጥርያ። ንሳ ኣብ መተግበሪታት ሞባይልን ስነጽባቐን ዝርከብዎም ካልእ ዓውድታት ዝገበረቶ ወፍሪ'ውን ተዓዊታ እያ። ኪም እትውንኖም ብርክት ዝበለ ሚልዮናት ዶላራት ዘንቀሳቕሱ ክልተ ኩባንያታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ቢልዮነራት ክትስራዕ ኣኽኢሎምዋ እዮም። ኣብ ሙዚቃ ራፕ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ወዲ 43 ዓመት ካንየ ዌስት ኣብ ፋሽን ዲዛይን'ውን ዝና ኣጥርዩ እዩ። ንሱ ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ሓደ ካብቶም ኣብ ናይ ሙዚቃ ዓለም ኣብ ቅድሚት ዝጥቀሱ ኮይኑ ኣሎ። ካንየ ተዓዋቲ ግረሚ ኣዋርድ ኮይኑ ኣብ ዓውዲ ፋሽን'ውን ዝተዓወተ ዲዛይነር እዩ። ክልቲኦም ናብ ሓዳር ቅድሚ ምምርሖም ንዓመታት ብምሕዝነት ክጸንሑ እንከለው፤ ካንየ ኣብ 2010 ኣብቲ ኪም እተቕርቦ ናይ ቴለቪዥን ምርኢት ቀሪቡ ነይሩ። ካንየ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ንምዃን ብውልቁ ተወዳዲሩ እኳ እንተነበረ ኣይተዓወተን።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56743496"} {"headline":"ይርጋኣለም ፍስሃ፡ ድሕሪ ማእሰርቲ ንህይወታ ዳግም ዝገጠመት ገጣሚት","content":"ኤርትራ ናጽነታ ካብ እትጐናጸፍ ድሮ ሰላሳ ዓመታ ኰይኑዋ'ሎ። ኣበይ ነበረት? ኣበይ በጽሐት? ናበይ'ከ ተብል ኣላ? ንዝብል ሕቶታት እስከ ብህይወት ተራ ሰባት ናይዚ ወለዶ'ዚ ሓደ ስእሊ ንቕባእ። ንሓያሎ እዋን ንጕዕዞ ኤርትራ ብብረታዊ ቃልስን መስዋእትን ናጽነትን እዩ ክግለጽ ጸኒሑ። እቲ ዘመን ስለ ዝተለወጠ ግን ነቲ ዘሎ ምስሊ ኤርትራ ብዓይኒ ወይ ከኣ ብተመሮ ናይ'ቲ ስዒቡ ዝመጽአ ወለዶ ክትካእ ግድን እዩ። እቶም ድሒሮም ዝተወልዱ፡ ደቂ-ዘመነ-ናጽነት፡ ንጕዕዞ ኤርትራ ብህንጠያ ዀነ ጽቡቕ-ተጀምሮ ጥራይ ዘይኰነስ ብዕንቅፋታትን ኣላግሶን እውን ይገልጽዎ'ዮም። ገጠምቲ፡ ምስ ሕልና ዝዳረጉ ዛዕባታት ኣልዒሎም ንህልዊ ኵነታት ስለ ዝገልጹ ንኵነታት ሃገር ብዕምቆት እዮም ዝርድኡዎ ዝብል ጸኒሕ ዘረባ ኣሎ። ታኔላ ሱዛን ቦኒ እትበሃል ኣፍሪቃዊት (ጓል ኣይቮሪኮስት) መምህር፡ \"ግጥሚ ንህላዌና ቅርጺ ዚህብ - ብኣካል ኰነ መንፈስ - ዓንዲ ሰብኣውነትና'ዩ\" ክትብል ትገልጾ። ገጣሚትን ጸሓፊትን ፕሮፈሰር ቦኒ፤ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣቢጃን ፍልስፍና እትምህር ኣካደምያዊት'ያ። እስከ ካብ ርእይቶ ፕሮፈሰር ቦኒ ናብ ይርጋኣለም ፍስሃ ንስገር። ይርግኣለም ፍስሃ ትበሃል፣ ጓል-ዘመነ- ናጽነት፡ ጋዜጠኛ፡ ጸሓፊት፡ ገጣሚት'ያ። ዋላ'ኳ ስእሊ ህይወታ ንጕዕዞ ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ወኪሉ ኣይቕረብ ዕቤታን ንእስነታን ማዕረ-ማዕረ ጉዕዞ ኤርትራ ክኸይድ ብምጽንሑ ብብዙሕ ሸነኻቱ ይመዓራረ'ዩ። ይርግኣለም፡ ከም ኵሎም ኤርትራውያን፡ መንፈሳ ጌና ኣብ ኤርትራ'ዩ ዘሎ። ብሃገራ እትዀርዕን እትሓስብን ከምኡ'ውን እተስቈርቍርን ሰብ እያ። ግጥሚ ኣብ መዓሙቝ ልብና ዝተሓብኡ ስምዒታት ናይ ምግላጽ ዝለዓለ ሓይሊ ዘለዎ ዘውዲ ስነ-ጽሑፍ እዩ። ይርጋኣለም ብመቓልሕ ግጥምታታ ኣቢላ ንዝተዳጐኑ መናፍስታ ንክስዕስዑ እትድርኽ ገጣሚት'ያ። ግጥምታታ ካብ ንቡር ናፍቖትን ጽንብልን ሰጊሮም ኣብ ዋይታ'ውን ዝዋሰቡ ዓሚቚ ትሕዝቶ ኣለዎም። ኣብ እንፈርሆም ፍጻሜታት ህይወትና ተሓንጊራ፡ ህውከት ኣብ ልብና ተላሒጉ ምእንቲ ከይተርፍ ሓግሒጋ፡ ንታኼላ ገሊሃ፡ ንሓሳብና ዝኣልዩን ንፍርሂ ዝቕንጥጡን ቃላት ተጠቒማ ብስጡም ቓላታ ጥበባ ተርኢ ሓያል ገጣሚት እያ። ኣብቲ ብዛዕባ ኣዲኣ ዝገጠመቶ፡- ናይ ኣደ'ሞ ከኣ ዘረባ 'ብሉን ነጊርካ ኣይውዳእን ጕሂኻ ኣይውጻእን። ዉሻጥኣ ጥርሑ መኣዳ ጽምዋ ገበላን ደንበን ቍሪ ምስ ኰኑዋ፡ ንግሆ ብኽያት ምሸት ቍዘማ ቀልባን ናብራኣን እናዀና እንታይ ዘጸቢ'ለዋ 20 ሰነ? ዓመት ምሉእ ኣብ ዝኽሪ'ያ ዘላ ጽብጽባሕ ምስ ንብዓት ምዓላ በዅሪ ሂባስ ንኡስ ተመንጢላ ዓደይ ኤርትራ፡ ኣደይ ጓል ኤርትራ! እዚ ካብ \"ይቕረታ ስውእቲ\" ዘርእስቱ ዝተወስደ ሕጡበ-ግጥሚ'ዩ። ኣብ ኤርትራ ሓደ \"20 ሰነ\" ጥራይ ኣይኰነን ዘሎ ኢላ ብምምጓት ነቶም ካልኦት \"20 ሰነታት\" ተዘክር። ምስ ቃላት ዘሎዋ ፍቕሪ ዕዙዝ'ዩ። እቶም ንሕልና ዝነኽኡ ብሉጻት ቃላት ናብ ስእሊ ትልውጦም። ቃላት ናብ ስሩብ ለዊጥና ከነሐይሎም ቀሊል ኣይኰነን። ይርጋኣለም ግን እቲ ዓቕሚ'ቲ ከም ዘሎዋ በታ \"ኣለኹ\" ዘርእስታ መጽሓፋ ኣመስኪራ። ኣብ ድሕረ-ናጽነት ዝነበረ ዉዕዉዕ ሃገራዊ ስምዒትን ቀጻሊ ጽንብልን ጌና ብዙሕ ሰብ ይዝክሮ'ዩ፣ ከምኡ'ውን ይርጋኣለም - ቅድሚ ጐርዞ ጓል ምዃና። ካብ ሽዑ ዝሰሰነ ፍቕሪ ስነ-ጽሑፍ ክሳብ ጐርዞ ጓል ትኽውን ስምዒታ ኣዝዩ ዉዕዉዕ ስለ ዝነበረ ኣብ ማሕበር መንእሰይ ተሓዊሳ ብዝከኣላ ዓቕሚ ሃገራዊ ኣገልግሎታ ጀመረት። ንቕሕቲ ስለ ዝነበረት ቀልጢፋ ኣብ ዓውዲ ስነ-ጽሑፍ ኣተወት። \"ኣብ መባእታ ትምህርቲ ዝሕግዙንን ዘተባብዕኑን ዝነበሩ ንጡፋት መምህራን ነይሮምኒ\" ብምባል እቲ ምስ ስነ-ጽሑፍ ዝተኣሳሰር ሞገስ ንዕኦም ትህቦም። ብዓቢኡ ግን ኣቦኣ ትምህርታ ብግቡእ ንኽትከታተል ቀጻሊ ጽልዋ ከም ዝነበሮም ትምስክረሎም። እምበኣርከስ ይርጋኣለም ብንእሽቶኣ'ያ ምስ ዓውዲ ስነ-ጽሑፍ ተላልያ። ብቖልዓኣ ኣብ መባእታ ዝነበሩ ናይ ስነ-ጽሑፍ ንጥፈታት ተጊሃ ትሳተፍ ስለ ዝነበረት፡ ብ1998-2000 ንሃገራዊ ዓውደ-ሚድያ ኣተወቶ። ሓያል ፍቕሪ ስነ-ጽሑፍን ረቂቕ ጥበብ ኣገጣጥማኣን ዉሕልነታን ናብ ባህርያዊ ህያብ ተለወጠ። በቲ ኣብ ድምጺ ሓፋሽ፡ ሓዳስ ኤርትራ፡ መደብ ተመሃሮ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድርኻት ትጽሕፈሉ ዝነበረ እዋን ብ\"ይርጋኣለም ፍስሓ ካብ ዓዲቐዪሕ\" ኢላ ስማ ተንብረሎም ስለ ዝነበረት ብዙሓት ኣንበብታን ፈለጥታን በቲ ስምቲ'ዮም ዝዝክርዋ። እቲ እዋን'ቲ ጊዜ ዉግእ-ባድመ'ዩ ነይሩ፣ ይርጋኣለም ጌና ናይ ካልኣይ ደረጃ ተማሃሪት'ያ ነይራ። በቲ ሽዑ ዝተፈጥረ ኵነታት ተማሃሮ ትምህርቶም ኣቋሪጾም ናብ ታዕሊም ዝኸድሉ እዋን ነበረ። ይርገኣለምን ብጾታን ክለባት ስነ-ጽሑፍ ኣብ ምምስራትን ምሕያልን ላዕልን-ታሕትን ይብሉ ነበሩ። ዓቕሚ ስነ-ጽሑፍ ምሰዕበየት ከኣ ኣብ ጋዜጣ ዘመን ብዕቱብ ክትሳተፍ ከም ዝጀመረት ተዕልል። እዚ ማለት፡ እተን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ብ2001 ብመንግስቲ ቅድሚ ምዕጻወን'ዩ ዝኸውን ዘሎ። ካብ ታዕሊም ምስ ተመልሰት እቲ ናይ ስነ-ጽሑፍ ንጥፈታታ ቀጸለ። ድሕሪ ዉግእ ባድመ ኵነታት ክልወጥ ጀመረ። መራሕቲ ሰውራ ኤርትራ ዝነበሩ ተጋደልቲ ዀኑ ኣባላት ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ተኣስሩ። \"ሽዑ ኣነ ከም ካድር ንክስልጥን ብሓለፍቲ ማሕበር መንእሰይ ተሓተትኩ፡ ኣነ ግን በቲ ዝርእዮ ዝነበርኩ ለውጥታት ስለ ዘይቀሰንኩ እቲ ጻውዒት ኣይተዋሕጠለይን\" ትብል ይርጋኣለም። ኣብቲ እዋንቲ ናይ ማትሪክ ፈተና ሓሊፋ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ነጥቢ ኣምጺኣ ክነሳ 'ሳዋ ኣይከድክን' ብዝብል ምስምስ ንከይትምሃር ተዀልፈት። እቲ ኵሉ ምስ ማሕበር መንእሰያት እተካይዶ ዝነበረት ልዑል ንጥፈታት፡ ምስ ብጾታ ኰይና ዝመስረተቶም ክለባት፡ ዘካየደቶ ወፈራታት ኣብ ፍቕዲ ብዘይምእታዎም ቅር በላ። ነቲ ዝተገብረላ ጻውዒት (ካድር መንግስቲ ንኽትከውን) ከተማልእ ሕልንኣ ስለ ዘየፍቀደላ፡ ተጣቢባ 'ሃገራዊ ጉቡአይ ክፍጽም'የ' ኢላ ኣብ መጀመርታ 2002 ንሳዋ ምኻድ ወሰነት። ዝነበራ ኣባልነት ማሕበር መንእሰያት ስሒባ ንሳዋ ከይዳ ሰልጢና። ካብ ሳዋ ተመሊሳ ኣብ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ መምህራን ተመዝጊባ ትምህርታ ብግቡኣ ኣጠናቐቐት፣ ብ2003 ኣብ'ታ ብባና እትፍለጥ ናይ መንግስቲ መደበር ራድዮ ብመደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣቢላ ንክትሰርሕ ተመደበት። እቲ መጀመርታ ክፋል ህይወታ ብዉዕዉዕ ሃገርራዊ ስምዒት ጀሚሩ፡ ብንጥፈታት ማሕበር መንእሰይ ኰነ ስነ ጽሑፍ ተሰንዩ፡ ብወተሃደራዊ ታዕሊምን ተመክሮ ሳዋን ሓሊፉ ብስልጠና ምምህርና ኣብቅዐ። ስዒቡ ናብ ራድዮ ባና ሰገረት። ይርጋኣለም ኣብ ራድዮ ባና ንሓሙሽተ ዓመት'ያ ሰሪሓ። እቲ ተመክሮ'ቲ በቲ ትፈትዎ ዓውደ-ስነጽሑፍ ንኽትምዕብል ሓጊዙዋ'ዩ። ግናኸ እቲ ሃዋህው ንናጻ ፕረስ ዘይበቅዕ ስለ ዝነበረ ስክፍታታት ኔሮም'ዮም። ኣብ መጨረስትኡ ድማ ይርጋኣለም ምስ ብጾታ ተኣሲራ ንዓዲ-ኣቤቶ ተወስደት። እዚ ለካቲት 19 2009'ዩ ነይሩ። 'ንምንታይ ኢኺ ተኣሲርኪ?' ንዝብል ሕቶ ይርጋኣለም፡ \"ብወግዒ ዘእሰረኒ ምኽንያት እዚ'ዩ ክብል ኣይክእልን፣ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪበ መኽሰስየይ ኣይተነግረንን። ብትሒም-ትሒም ዝሰማዕክዎ፡ ባዕለይ እዝን-እትን ኣላጊበ ዝግምቶ'ምበር ዝፈልጦ የብለይን ክብል እኽእል። ዝዀነ ኰይኑ፡ ኣብ ሃገርና ሰብ ንክእሰር ምኽንያት ኣየድልዮን'ዩ፣ ንክፍታሕ'ምበር! ዝኾነ ሓላፊ ከፍትሓካ ኣይክእልን፡ ሓላፍ መንገዲ ግን ከእስረካ ይኽእል\" ትብል። \"ሚኒስትሪ ሓበሬታ በቲ እትጽሕፍዎ ይጠማመተኩም ኣሎ ዝብል ጽንጽንታ - ምናዳ ናተይ ጽሑፋት - ክስማዕ ጀሚሩ ኣነ ግን ነቲ ወረ ዋጋ ኣይሃብኩሉን ... ቅድም-ቅድም እታ ማዕከን ራድዮ ናይ መንግስቲ'ያ ነይራ፡ ትሕዝቶኣ ድማ ካብ ፖለቲካ ዝረሓቐ ትምህርታዊ'ዩ ነይሩ፣ ኣነ ኸኣ በቲ ዘቕርቦ እተኣማመን'የ ነይረ \" ትብል ይርጋኣለም። ይዅን'ምበር እታ ራድዮ ኣቓልቦ ሰማዕቲ ትስሕብ ከም ዝነበረት ትምስክር። ብሃንደበት ግን ምኒስትሪ ዜና ነቲ ፈነወ ደው ኣበሎ። \"ድሒረ፡ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ምስ ኣቶኹ፡ ምስ ረድዮ ወጋሕታ (ኣብ ትግራይ ዝመደበራ) ምትእስሳር ኣሎኩም ዚብል ጠቐነ ሰማዕኩ\" ድሕሪ ምባል፡ ነቲ ክሲ ብፍጹም ነጸገቶ። \"ጸለመ'ዩ ነይሩ፡ ኣይጸንሐን ከኣ እቲ ክሲ እናፈሸለ ከደ\" ትብል። \"ክብድ ዝበለ ምርመራ ስለዝተጠቕሙ፡ ንብዙሕ ኣዋርሕ ዝኣክል ከም ክድቅስን ብዓረብያ ክንቀሳቐስን ተገደድኩ\" ኢላ ነቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረቶ ኵነታት ትገልጾ። ንሕክምና ኣብ ሆስፒታል ሓሊቤት ክመላለስ ምስ ጀመርኩ ሰበይ ዝረኣኽሉ፡ ምግብን ቅያር ክዳንን ሒዞምለይ ዝመጽሉ እዋን ነይሩ። እታ ዘይርስዓ ህሞት ግን ኣቦይ ደም ንክህበኒ ተጸዊዑ ዝመጸሉ እዋን ነበረ\" ብማለት ብሓያል ስምዒት ተዘንቱ። \"እተን ሳልሰይትን ራብዓይትን ዓመታት ማእሰርተይ ከበድቲ'የን ነይረን። እተን ፈለማ ክልተ ዓመታት ብቀንፈዘውን ሻቕሎትን'የን ሓሊፈን። ቁሩብ ተስፋ ነይሩኒ። ድሓር ግን ብክቱር ምኽትካት ስለ ዝተሃሰኹ እተን ዝሰዓባ ክልተ ዓመታት ...\" ኢላ ነቲ ዜሰቅቕ ኣርእስቲ ክትልውጦ ትፍትን። እቶም ምስ ይርጋኣለም ዝተኣስሩ ሰባት፡ ናይ ስራሕ ብጾታ ምዃኖም'ዮም፡ ቍጽሮም 26 ነበረ - ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ኣሰናዳውትን። \"ከመይ ገርኪ ክትፍትሒ በቓዕኪ?\" ንዝብል ሕቶ \"ምጽባይ ምስ ኣቋረጽኩ'የ ወጺአ\" ክትብል ትምልስ። ካብ'ቶም 26 ብጾታ ንሳ በይና ጓል ኣንስተይቲ ነበረት። \"ኣብ ኣርባዕተ ዓመትና፡ 20 ካብ'ቶም ብጾትና ይፍትሑ፣ እንተ ኣነን ሓሙሽተ ካልኦት ብጾተይ ግን እቲ ዕድል ተነፍገና\" ትብል ይርጋኣለም። እቶም 20 ብጾታ ምውጽኦም ብዕሊ ኣይተነግሮምን፣ ግናኸ ብጽንጽንታ'ያ ሰሚዓቶ። \"ሽዑ ደንጸወኒ፡ ምጽባይ ከኣ ኣቋረጽኩ ... ብዝተኻእለ መጠን ነብሰይ እናኣለኹ ዝገበርኩ ገይረ ህይወተይ ከናውሕ ወሰንኩ\" ከኣ ትብል። \"ድሕሪ ዓመትን 11 ወርሕን ነቶም ዝተረፍና ሽድሽተ ሰባት ጸዉዑና ... ሽዑ'የ ንብጾተይ ንመጀመርታ ጊዜ ርእየዮም\" ትብል። እቲ ሓላፊ ቤት-ማእሰርቲ \"እሰርዎም ተባሂልና ክሳብ ሕጂ ኣሲርናኩም ጸኒሕና፣ ሕጂ ኸኣ ፍትሑዎም ተባሂልና እንሆ ንፈትሓኩም\" ኢሉ ከም ዝሓበሮምን ንክተሓጻጸቡን ኣቑሑቶም ክእክቡን፡ እቶም ኣወዳት ከኣ ንክቕምቀሙ ከምዝተኣዘዙን ድሕሪ ሽድሽተ ዓመት ብዘይ ክሲ ብዘይ ፍርዲ ከም ዘፋነዎም ትገልጽ። እቲ መዓልቲ'ቲ 21 ጥሪ 2015 ነበረ። እቲ ሳልሳይ ክፋል ህይወታ ይርጋኣለምን ብጾታን ምስ ተፈትሑ ኣብ ናይ ቀደም ስራሕኩም ተመለሱ ዚብል ትእዛዝ ተዋህቦም። እታ ረድዮ ተዓጽያ ስለዝነበረት ስራሕ ኣይነበረን። ስለዚ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ኮፍ ኢሎም ይውዕሉ ነበሩ። ካብ ስርሓ ንኽትፋኖ ፈቲና ከምዘይሰለጣ ተዘንቱ። ንክልተ ዓመት ብዕግንግን ሓለፈ። ኣብ መጠረስትኡ ግን ከም ሰባ ካብ ኤርትራ ናብ ስደት ኣምርሐት። ድሕሪ ብዙሕ ብደሆ ኣብ ሃገረ ጀርመን ኣትያ ሓድሽ ህይወት ጀመረት። ኣብ ኤውሮጳ ምስ ኣተወት ዛንታኣ ቆላሕታ ናይ ብርክት ዝበሉ ማሕበራትን ትካላትን ስለዝረኸ ህይወታ ከም ብሓድሽ ክበራበር ጀመረ። ብ2019 ይርጋኣለም ሚእትን ሰላሳን ግጥምታት ዝሓቖፈ \"ኣለኹ\" ዘርእስቱ መጽሓፍ ግጥሚ ብምጽሓፍ ልዑል ቆላሕታ ረኺባ ኣላ። እቲ መጽሓፋ ኣብ ቋንቋታት ጀርመንን እንግሊዝን'ውን ይትርጐም ኣሎ። ፐን-ኤርትራ ዝበሃል ማሕበር ጸሓፍቲ ንይርጋኣለም ብልጫ ንክወሃባ ስለ ዝሓጸያ Freedom of Expression Award ዝበሃል ብልጫ ንኽትቅበል በቒዓ። ኣብዚ እዋን'ዚ ይርጋኣለም ብዛዕባ ህይወታ እተዳልዎ ዘላ መጽሓፋ ኣብ ምዝዛም ትርከብ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57237304"} {"headline":"ፍሉጥ ኣመሪካዊ ተዋሳኢ ቢል ኮዝቢ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺሪ","content":"ኣመሪካዊ ኮሜዲያን ቢል ኮዝቢ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፔንሲልቫኒያ ዝወሰኖ ብይን ውድቂ ምስ ኮነ ድሕሪ ዝተወሰኑ ሰዓታት ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ። ዳያኑ እቲ ቤት ፍርዲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝነበረ ፍርዲ \"መስርሕ ተጣሒሱ'ዩ\" ኢሎም። ይኹን'ምበር እቶም ዳያኑ ውሳንኦም ዘይተለመደ ምዃኑ ኣይክሓዱን። ወዲ 83 ዓመት ኮዝቢ ካብ ሰለስተ ክሳብ 10 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ተፈሪዱዎ ከም ዝነበረ ይዝከር። ኮዝቢ ብ2018 ኣብ ልዕሊ ተጻዋቲት ኩዕሶ ስክዒት ዝነበረት ኣንድሪያ ኮንስታንድ ብመድሓኒት ኣደንዚዙ ጾታዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ብዝብል ተኸሲሱ ክልተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ፊላደልፊያ ተኣሲሩ ጸኒሑ። ንሱ ብፍላይ ብ1980ታት ፍሉጥ ኣብ ዝነበረ ኮዝቢ ሾው ኣብ ዝተባህለ ተኸታታሊ ናይ ቴሌቪዥን ድራማ ህቡብነት ክረክብ ክኢሉ። ኣብ ሓደ እዋን \"ኣቦ ኣመሪካ\" ዝብል ሳጓ ተዋሂቡዎ እኳ እንተነበረ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣብጺሑልና እዩ ኢለን ይኸሰኦ። ብጉዳይ እታ ተጻዋቲት ኩዕሶ ስክዒት ግን ብወግዒ ተኸሲሱ። እቲ ፍርዲ ኣብ ዝተመሓላለፈሉ እዋን #ሚቱ ንዝተባህለ ጎስጓስ ማሕበራዊ ሚዲያ ዓብዪ ዓወት ተገይሩ ተወሲዱ። ይኹን'ምበር ትማሊ ኣብ ዝወዓለ መጋብኣያ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፔንሲልቫኒያ ኣብ ልዕሊ ኮዝቢ ዝተዋህበ ፍርዲ ክስዓር ክኢሉ ኣሎ። ዳያኑ፡ ጠበቓታት ኮዝቢ ምስቲ ዓቃቢ ሕጊ ዝነበረ ኮዝቢ ንከይኽሰስ ተሰማሚዖም'ዮም ይብሉ። ድሕሪ'ዚ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወጽአ ኮይኑ ብእግሩ ክኸይድ እንከሎ ተዳኺሙ ተራእዩ። ኮዝቢ ክሳብ ሕጂ ንመራኸብቲ ማዕከናት ዝሃቦ ርኢይቶ የለን፤ ሓደ ካብ ጠበቓታቱ ኣንድሩ ዋየት ግን \"ኣብዚ ዋዒ ዘለዎ መዓልቲ፡ ኣዝዩ ዝደመቐ ፍርዲ ተዋሂቡና\" ኢሉ። \"ኮዝቢ ኩል ግዜ ሽሙ ተጠቒሙ ደቂ ኣንስትዮ ንምልዕዓል ዝጽዕር ሰብ እዩ፤ ከመይ ኢሉ'ዩ ሓደ ብኤፍቢኣይ ክትትል ዝግበሮ ሰብ ንደቂ ኣንስትዮ ዝዕምጽን ዝስምምን? እሞ ኽኣ ጸሊም ሰብ?\" ኢሉ። ፍርዲ ኮዝቢ ክቕየር ዝገበሩ ዳያኑ በዓል 74 ገጽ ትንታነ ጽሒፎም። ንሶም ከም ዝብሉዎ እንተኾይኑ ንኮዝቢ ዝኸሰሰ ዓቃቢ ሕጊ ዝነበረ ኣብ ጉዳይ ኮንስታንድ ምስክር እንተኾይኑ ኣይኽሰስን እንተበሉ'ውን ከሲሶምዎ። ምስክርነቶም ካብ ዝሃቡ ሰባት ድማ ምስቲ ክሲ ዘይራኸብ ምስክርነት ዝሃቡ ሰባት ከም ዘለው እቶም ዳያኑ ገሊጾም። ስለዚ ኣብ ልዕሊኡ ግጉይ ፍርዲ ተዋሂቡ ጸኒሑ'ዩ፤ ነዚ ድማ ከም ዘይኽሰስ ብምግባር ክክሓሓስ ኣለዎ ኢሎም። እዚ ውሳነ ንብዙሓት ኣብ ክልተ ከፊሉዎም ይርከብ። ኣብ ኮዝቢ ሾው በዓልቲ ቤቱ ኮይና ዝተዋስአት ፊሊሺያ ራሻድ \"ኣብ መወዳእታ ፍትሒ ፍትሓዊት ኮይና\" ዝዓይነቱ መልእኽቲ ኣብ ትዊተር ጽሒፋ። ዓቃቢ ሕጊ ነበር ከኣ \"ዝኾነ ሰብ ፍሉይ ጥኹን ሃብታም ወይ ጉልበተኛ ልዕሊ ሕጊ ኣይኮነን\" ኢሉ። ንኮዝቢ ዝኸሰሳ ልዕሊ 30 ደቂ ኣንስትዮ ዝወከለት ጠበቓ ግሎሪያ ኣልሬድ ብወገና እቲ ውሳነ \"ዘሰንብድ\" ክትብል ገሊጻቶ። ግን ድመ እቲ ውሳነ ንተግባር እቲ ውልቀሰብ ዝልውጥ ኣይኮነን ኢላ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57676120"} {"headline":"ስነ-ጥበብ፡ ብዙሓት መወዳእትኡ ንምርኣይ ሃንቀው ዝበልሉ 'ማኒ ሄይስት'","content":"ትልሚ እቲ ዛንታ ኣብ ኣእምሮ 'ፕሮፌሰር' እናተባሃለ ዝጽዋዕ ሓደ ገጸ-ባህሪ ዝተቐርጸ እዩ። ንሱ ኣብ ኣእምርኡ ሰባት ፈጺሞም ርእይዎ ዘይፈልጡ ዓይነት ገበን ኣስተንቲኑ'ሎ። ገጸ-ባህርያት እቲ ፊልም፡ ኣብ ልዕሊ ማንም ጉድኣት ከየብጽሑ [ከም ዝሓሰብዎ'ኳ እንተዘይኮነሎም] ነቲ 'ሮያል ሚንት ኦፍ ስፔይን' ብዝብል ዝፍለጥ፡ ገንዘብ ዝሓትም ትካል ሰይሮም ብምእታው ብቢልዮናት ዝቑጸር ገንዘብ ሓቲሞም ክሰርቁ ናይ ዝሕልኑ ሰባት ዛንታ'ዩ። ፕሮፌሰር ነቲ ሕልሚ ዘፈጽሙ ሸሞንተ ሰባት መልሚሉ ዓሊሙዎም ኣሎ። እቶም ሰባት ብድሕረ-ምልሰት ካብ ውጥኖም ዘሰናኽሎም ዋላ ሓደ ታሪኽ የለን። [እዝን እዝን] 'ከይስእኖ' ኢሎም ዝሻቐልሉን ሰኸኽ ዝብልሉን ሰብኣዊ ባህርያት የብሎምን። ኣስማት ናይቶም ገጸ-ባህርያት ብስም ዓበይቲ ከተማታት ዓለም ተተኪኡ'ሎ። ቶኪዮ ሊዝበን፣ ናይሮቢ ፣ዴንቨር . . . 67 ሰባት ክኣ ጅሆ ሒዞም ኣለው። እዚ ኣብ ኔትፍሊክስ ብሓሙሽተ ምዕራፋት ዝረኣይ ዘሎ ተኸታታሊ ድራማ ኣብ ስፔን'ዩ ተወጢኑን ተሰሪሑን። ብቋንቋ ስፐይን፡ ማለት ስፓኒሽ 'ላ ካሳ ዴ ፓፔል' [La Casa de Papel] ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ድራማዊ ፊልም ናብ እንግሊዝኛ ክትርጎም እንከሎ 'ማኒ ሄይስር' ብዝብል ኣርእስቲ እዩ ርዒሙ\/ተተኪኡ። ነቲ ፊልም ክሳብ ሕጂ እንተዘይርኢኹሞ ጀሚርኩም ኣይክተቋርጽዎን ኢኹም። ቀልብኻ ስለ ዝገዝእ ካብ ተምሳጥ ከይወጻእኹም እዩ ክውዳእ። በብእዋኑ ፍሕሶታቱ እናተሓላለኹ፤ ንልብኻ ቀጥ ኣቢሉ ናይ ምሓዝ ብቕዓት ኣለዎ። ንኹሎም ገጸ-ባህርያት ክትፈትውዎም እትግደዱሉ ምኽንያት ኣይትስእኑን፤ ነቲ ዝፍጽምዎ ስርቂ እንተኾነንኩምዎ'ኳ ብውሽጥኹም ግን እቲ ዝሓሰብዎ ውጥን ብዓወት ክዛዝሙዎ ምምናይኩም ኣይተርፍን። ኩሎም እቶም ገጸ-ባህርያት ብጥንቃቐ ዝተፈጠሩ እዮም። ኔትፍሊክስ ኣብ 190 ሃገራት ንዝርከቡ ዓማዊሉ ዘቕርቦ ዘሎ ፊልም'ዩ። እቲ ተኸታታሊ ፊልም ንመጀመርታ ጊዜ ኣብ ስፐይን ንዝርከብ 'ኣንቴና 3' ንዝተባህለ መደበር ቴሌቪዥን ዝተሰርሐ ኮይኑ፤ ብኦንላይን ፊልምታት ዘቕርብ ኩባንያ ኔትፍሊክስ ስለዝደለዮ ግን ብእንግሊዝኛ ተተርጒሙ ናብ ተዓዘብቲ ከምዝበጽሕ ይገብር ኣሎ። ካብ ቋንቋ እንግሊዝኛ ወጻኢ ካብ ዝተሰርሑ ድራማታት ብዝለዓለ ብዝሒ ኣፍቀርቲ ፊልም ዝተረኣየ ክብል ን'ማኒ ሄይስት' ይንእዶ። ኣብ ገምገም ባሕሪ ፓናማ ተጋዲሙ ንመጻኢ ብዛዕባ ዝሰርሖ ነገር ዝሓስብ ዝነበረ ኣሌክስ ፒና፡ ሃንደበት ሓደ ሓሳብ ናብ ኣእምሩኡ ተቐልቀለ። ኣብ 2016 ደቂኣንስትዮ እሱራት ኣብ ኣብያተ ማሕዩር ዘሕልፍኦ ስቓይን ጭካነን ዘርእይ 'ቪሳ ቪስ' [Vis a Vis] ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ተኸታታሊ ፊልም ወዲኡ ነይሩ። እቲ ዝቕጽል ድራማ ግን ልክዕ ከም 'ቪሳ ቪ' ጭካነ ዝመልኦ ክኸውን ኣይደለየን። ንመስርሒኡ ዝኸውን ብዙሕ ገንዘብ ዝሓትት ንኸይከውን ወሲኑ'ዩ። ስለዚ ቀረጽኡ ኣብ ውሽጢ ስቱድዮ ዝካየድ፤ ግን ከኣ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ መንደቓት ተሓጺሩ ከም ዝተሰርሐ ዘየፍልጥ ተኸታታሊ ድራማ ክጽሕፍ ድልየት ሓደሮ። ነዚ ክሓስብ ከሎ ቀልጢፉ ናብ ኣእምርኡ ዝመጽኣሉ ድማ 'ስርቂ\/ ዘመተ ባንክ' ዝብል ነይሩ። ፒና ንኻልኦት መሳራሕቱ ኣኪቡ ከዘራረብ እንከሎ እቲ ዛንታ ኣብ ሮያል ሚስት ኦፍ ስፔይን ክፍጸም ከም ዘለዎ ኣብ ምርድዳእ በጽሑ። እዚ ከኣ እቲ ቀረጻ ኣብ ውሽጢ ስቱድዮ ንኽካየድ ዝነበሮ ድልየት ዘማልአ ኮነ። ስለ ዝኾነ ድማ እቶም ለያቡ ንሰራሕተኛታት እቲ ባንኪ ብምዕጋት ሓድሽ ቢልዮናት ዩሮ እናሓተሙ ከውጽኡ'ዮም ዝረኣዩ። ነዚ ስርቂ ዝመርሖ ድማ 'ፕሮፌሰር' ዝብል ስም ዝተወሃቦ ገጸ-ባህርይ ኮይኑ፤ ንሱ ከኣ ቅድም ክብል ዝተፈላለዩ ገበናት ፈጺሞም ካብ ሕብረተሰብ ንዝተነጸሉ ገበነኛታት መልሚሉ'ዩ ናብቲ ስራሕ ዘዋፍሮም። ኩሎም መጸውዒ ስም ተዋሂብዎም'ዩ፤ ብፍሉጣት ከተማታት ዓለምና ከኣ ይጽውዑ። ቶኪዮ፣ ኦስሎ፣ ዴንቨር፣ በርሊን፣ ናይሮቢ፣ ዴንቨር . . . ዝኽደንዎ ምሉእ ቀይሕ ቱታን ንገጾም ዝሽፍኑሉ ማስኬራን ከኣ እቲ ፊልም ብተመልከትቱ ዝለዓለ ተቐባልነት ንክረክብ ኣኽኢሉዎ። እቲ ንገጾም ዝሽፍኑሉ ማስኬራ ኣብዚ እዋን ብህይወት ዘየለ ስሙይ ስጳኛዊ ቀባኣይ ሳልቫዶር ዳሊ ዝሰርሖ'ዩ። ፈለማ ኣብ ቴሌቪዥን ስፐይን ብኽልተ ምዕራፋት ዝተፈነወ 'ላ ካሳ ፓፔል' ክልተ ምዕራፋቱ ምስ ተመሓላለፈ ስፔናውያን ፈትዮምዎ። ግን ከኣ ኣይቀጸለን። ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ምስተቛረጸ ኩሎም ተዋሳእቲ ስርሖም ኣቋሪጾም ነናብ ዋኒኖም ተመሊሶም ተበታቲኖም። 'ላ ካሳ ፓፔል' ገና ኣብ ስፐይን ክረአ ምስጀመረ'ዩ ካብ ኣፍቀርቲ ፊልም ዝለዓለ ተቐባልነት ረኺቡ። እቶም ገጸ-ባህርያት ብብዙሓት ተፈተውቲ ክኾኑ በቒዖም ኣለዉ። ገበነኛታት'ኳ እንተኾኑ ብዝበጽሖም ነገራትን ብኹነታቶምን ዝሓዝነሎም ግን ብዙሕ'ዩ። ነብሲ ወከፍ ንጥፈታት እቲ ገበን ዝተጸንዐ'ዩ። እቲ ፕሮፌሰር ንኹሉ ነገር ኣብ ርእሱ ወዲእዎ'ዩ ጸኒሑ። ንኹሉ ፍሕሶታት\/ሽርሕታት ብዝግባእ ኣስተንቲንዎ'ሎ። ፖሊስ ክወስዶ ንዝኽእል ስጉምትታት ኣቐዲሙ ስለ ዘጽንዖ ከጋጥም ብዝኽእል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣይሻቐልን'ዩ። ንኹሎም መጥቃዕትታት ድማ ዝተጸንዐ ግብረ-መልሲ ይህብ። ብስፓኒሽ እናተራእየ እንከሎ ዝፈተውዎ ሰብ ዋና ኔትፍሊክስ ናብ መላእ ዓለም ክዝርግሑዎ ብምሕሳብ ምስ ደራሲ እቲ ፊልም ኣሌክስ ፒና ውዕል ተፈራሪሙ። ነቲ ተሰሪሑ ዝተዛዘመ ናይ ኢንግሊዝ ትርጉም ክዳለወሉን ውሱን ምትዕርራይ ክግበረሉን ርእይቶ ሂቦምሉ። ብድሕርዚ እቲ ድራማ ምትዕርራይ ተገይሩሉ፤ ትርጉም እንግሊዝኛ ኣትይዎ ኣብ መዛዘሚ 2017 ኣብ ኔትፍሊክስ ተቐልቂሉ። እዚ ውዕል ከኣ፡ ፊልም 'ላ ካሳ ፓፔል' ኣብ ምሉእ ዓለም ንኽረአ ዕድል ዝኸፈተ ኮይኑ - ኔትፍሊክስ ምስዘርግሖ ብዙሓት ተመልከትቲ ፈትዮምዎ። ካብ ብራዚል፣ ኣርጀንቲና ፣ኡራጓይ ፣ፈረንሳ ፣ህንዲ፣ ስዑዲ ዓረብን ቱርክን ተሳጊሩ ኣብ ምሉእ ኣፍሪቃ ብዙሓት ብሃንቀውታ ዝከታተልዎ ክኸውን በቒዑ። ፒና ንተዋሳእቲ እቲ ፊልም ዳግም ኣብ መዛዘሚ 2018 ኣኻኺቡ ሳልሳይ ምዕራፍ ክጽሕፍ ጀሚሩ። ኣብዚ እዋን ድማ ገንዘብ ዩሮ ካብ ምሕታም ኣብ ባንኪ ስፐይን ንዘሎ ውህሉል ወርቂ ናብ ምጉሓል\/ ምስራቕ ኣሰጋጊርዎ'ሎ። ኣብቲ ድራማ ዘለዉ ለያቡን እቶም ዝዕገቱ ሰባትን ዝኽደንዎ ክዳን ኮነ መሸፈኒ ገጽ ተመሳሳሊ ስለዝኾነ ነቶም ገበነኛታት ፈሊኻ ንምሓዝ ፈታኒ ይገብሮ። ኣላዪ እቲ ፊልም ጀሱስ ኮለሜናር ፊልም 'ማኒ ሄይስት' ልክዕ ከምቶም ኣብ ፊልም 'ስታር ዋርስ' ዘለዉ ገጸ-ባህርያት ኣብ ምሉእ ዓለም ዝተፈለጡ፤ ኣብዚ ፊልሚ ዘለዉ ገጸ-ባህርያት እውን ዓለም ክፈልጦም ድልየት ነይርዎ። ቀንዲ ገጸ-ባህርያትን እቶም ዝዕገቱ ሰባትን ዝኽደንዎ ቀይሕ ቱታን መሸፈኒ ገጽን ከኣ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ንክፍለጥ በቒዑ። ተፈላጥነት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝቕልቀሉ ተቓውሞታት ዝሳተፉ ሰባት ነቲ ክዳን ተኸዲኖም ናብ ኣደባባይ ክወጽኡ ይረኣዩ። ኣብ ግሪክ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ክህሉ እንከሎ ዝዕደሙ ኣፍቀርቲ ስፖርት ነቲ ማስኬራን ኮምብላስዮንን ገይሮም'ዮም ዝኣትዉ። ኣብ ብራዚል፣ ህንድን ፈረንሳን እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ባንክታት ንምዝማት ፈተነ ተኻይዶም። እቲ ተኸታታሊ ድራማ ዝዕጀበሉ ሙዚቃ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘበን ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ጣልያናዊ ላቦረርስ ዝሰርሖ ጸረ ፋሺሽት ዜማ ኮይኑ 'ቤላ ቻው' ዝብል ኣርእስቲ ኣለዎ። ኣብዚ እዋን ከኣ ተፈታዊ ክኸውን በቒዑ። እቶም ኣብ 'ማኒ ሄይስት' ዘለዉ ገጸ-ባህርያት ን'ቤላ ቻው' ክደርፉ ከለዉ ንቐልቢ ተመልክትቲ ብዝያዳ ይስሕቡ። እዚ ፊልሚ ኣብ ኔትፍሊክስ ክቐርብ እንከሎ ብዘይምቁርራጽን መዓልታት ወይ ሰሙናት ከይተጸበኻን'ዩ ዝርከብ። ካልእ ክፍቶ ዝኸኣለሉ ምኽንያት ድማ ንደቂ ኣንስትዮ ገጸ-ባህርያት ማዕረ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ብምስርዑ እዩ። ዓለም ኣብ ከቢድ ፋይናንሳዊ ቅልውላው ምስ ኣተወት ጸረ-ካፒታሊስት ስርዓት መርገጺ ሒዙ ዝመጽአ እዚ ተኸታታሊ ድራማ ተፈታዊ ክኸውን ካብ ዘኽኣሎ ምኽንያታት ሓደ ከምዝኾነ ይግመት። ነዚ ዘይቅበሉ ግን ኣይተስኣኑን። ንኣብነት ኣብ ሓደ እዋን ከንቲባ ከተማ ኣንካራ - ቱርኪ ኢብራሂም ሜሊህ እቲ ድራማ \"ተምሳሌት ናዕቢ\" ክብል ድሕሪ ምንቃፍ ፖሊስ ነቲ ስራሕ ደው ከብሎ ሓቲቱ ነይሩ። ተመልከትቲ ንድሕረ ባይታ እቶም ኣብቲ ፊልም ዘለዉ ገጸ-ባህርያት እናፈለጡዎም ምስመጽኡ ግን \"እቶም ክፉኣት ዝመስሉ ሰባት ከምኡ ከምዘይኮኑ እናተገንዘቡ መጺኦም \" ክብል ሓደ በዓል ሞያ ፊልም ንቢቢሲ ርእይትኡ ሂቡ ነይሩ። እቶም ኣብ ስርቂ ዝተዋፈሩ በዓል ቶኪዮ፣ በርሊን፣ ሞስኮ፣ ወይ ናይሮቢ ንዝዓገትዎም ሰባት ዘርእይዎ ርህራህን ሓልዮትን ተዓዘብቲ ልዑል ፍቕሪ ንከትርፉ ሓጊዙዎም እዩ። ኔትፍሊክስ ነቶም ቅድም ክብል ስፔናውያን ዝረኣይዎም ምዕራፋት ብእንግሊዝኛ ተርጒሙ ብምቕራብ ካልኦት ክልተ ምዕራፋት ብምውሳኽ ናብ ተመልክትቲ ኣቕሪቡ ኣሎ። ሓምሻይን ናይ መወዳእታን ምዕራፍ ከኣ ኣብ ቀረባ እዋን ክፍኖ እዩ። ዛጊት ካብቲ ሓምሻይ ምዕራፍ ሓሙሽተ ክፋላት ጥራይ ተፈንዮም ኣለዉ። ዝተረፉ ሓሙሽተ ክፋላት ድማ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ከም ዝፍነዉ ኔትፍሊክስ ይሕብር። ክሳብ ሽዑ ከኣ ሚልዮናት አህዛብ ብሃንቀውታ ይጽበይዎ ኣለዉ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58645957"} {"headline":"ሓድሽ ኣልበም ሃጫሉ ሁንዴሳ ደረጃ ዓለምለኻዊ መሸጣ ተቖጻጺሩ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተቐትለ ስነ ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ኢንተርነት ሙዚቃ ኣብ ዝሽየጠሉ ኣይቲዩንስ ካብ ዘለው 100 ኣልበማት፡ ትማሊ ብደረጃ ዓለም ሳልሳይ ኮይኑ ነይሩ። ሰደቓ ሙዚቃ ዓለም ኣይቲዩንስ [ወርልድ ቻርት] በብሰዓቱ ዝቀያየር ስለ ዝኾነ ኣልበም ሃጫሉ ዘለወሉ ደረጃ ክትሕት ወይ ክውስኽ ይኽእል እዩ። ሎሚ ግን ብመሰረት ዓለምለኻዊ ደረጃ መሸጣ ኣብ መበል 12 ከም ዝርከብ ካብቲ ድረገጽ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ። ቢቢሲ ሎሚ ረፋድ ከም ዝተኸታተሎ እቲ ኣልበም ኣብ መስርዕ ብሉጻት 40 ፖፕ ሙዚቃ ኣመሪካ ኣብ መሸጣ ኣይቲዩንስ ኣብ ቐዳማይ ደረጃ ይርከብ። ብቕድሚ ትማሊ 22 ሰነ 2013 ዓ.ም እቲ ኣልበም ብወግዒ ክምረቕ እንከሎ፡ 'ማል ማሊሳ' ዝብል ስያመ ተዋሂቡዎ እዩ። \"መፍትሒኡ እንታይ'ዩ?\" ድማ ትርጉም ናይቲ ኣልበም መጸውዒ እዩ። ማል ማሊሳ 14 ሙዚቃታት ዝሓዘ ኣልበም ኮይኑ፡ በዓልቲ ቤቱ ፋንቱ ደምሶ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበራ ጻንሒት ቅድሚ ምሟቱ ዝሰርሖም ስራሕቲ ምዃኖም ገሊጻ። ኣብዚ ኣልበም ዘለው ኣርባዕተ ስራሕቲ ካብቶም ቅድም ኢሉ ዝሰርሖም ክልተ ኣልበማት ተመሓይሾም ዝተሰርሑን 10 ሓደሽቲ ዝተሰርሑ ሙዚቃታትን ዘካተተ እዩ። ሃጫሉ ምስ ሞተ ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ግን ስድራቤቱን መሓዝቱን ነቶም ስራሕቱ ብምትእኽኻብ ኣልበም ክኸውን ገይሮም ኣለው። ኣብዚ ኣልበም ዝተኻተቱ ስራሕቲ ስነ ጥበብ ናይ ፍቕሪ ሓዊሱ ብዙሓት ጉዳያት ዝድህስሱ ትሕዝቶታት ኣለዎም። መጸውዒ እቲ ኣልበም ዝኾነ ማል ማሊሳ ኣብ ዝሓለፉ 100 ዓመታት ህዝቢ ኦሮሞ ዘሕለፎ ታሪኽ፣ ቃልሲ፣ መስዋእትነት ዝድህስስ ኮይኑ ኣብዚ ሕጂ እዋን'ውን ዝቕጽል ዘሎ ስለ ዝኾነ \"መፍትሒኡ እንታይ'ዩ?\" ዝብል ሕቶ ከም ዘልዓለሉ በቶም ሙዚቃታቱ ኣቢሉ መልእኽቲ ኣሕሊፉ ኣሎ። ኣብ ናይ መጀመርታ ኣልበሙ \"ኦልማንኬ\" [ውዕለታኺ] ኢሉ ዝደረፈላ በዓልቲ ቤቱ ኣብዚ ኣልበም'ውን \"ሃደ ወቢ\" [ኣደ ወቢ] ብዝብል ኣመስጊኑዋ ኣሎ። ወቢ ዝብል ቃል ኦሮሚኛ ዋሕስ ዝብል ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ መጸውዒ ሽም ናይ መጀመርታ ውላዱ'ዩ። ነዚ ሓድሽ ኣልበም ዝሰምዑ ሰባት ኣብ ዝሃቡዎ ርኢይቶ ነጻነት፣ ቃልስን ካልኦት ብዙሓት ጉዳያትን ዘካተተ ኮይኑ ናባዪ ንዘይብሎም ህጻናት'ውን ዝዘከረ'ዩ ኢሎም። \"ኢመማ ነማ\" [ወዲ ሰብ] ዝብል ኣብቲ ኣልበም ዝርከብ ሙዚቃ ህጻናት ወለዲ ምስኣኖም ስራሕ ኣምላኽ'ኳ እንተኾነ ክንሕግዞም ግን ይግባእ ዝብል ምኽሪ ይልግስ። ኣብዚ ኣልበም ብዙሓት ክኢላታት ዝተሳተፉ ኮይኖም፡ ብዙሓት ስረሓት ሙዚቃ ኦሮምኛ ብምውህሃድ ዝፍለጥ ዳዊት ታደሰ ነቶም ትሸዓተ ኣወሃሂዱዎም ኣሎ። ብተወሳኺ ካሙዙ ካሳ፣ ዲንቄሳ ደበላ፣ ኣብርሃም ኪዳነ ተሳቲፎምሉ፤ ሚክሲንግን ማስተርን እቶም ኣርባዕተ ሙዚቃታት ካ ኣበጋዝ ክብረ ወርቅ ሺዎታ እዩ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57678085"} {"headline":"ብ10 ሳንቲም ዝሽየጥ ዝነበረ ኮሚድያዊ መጽሄት ልዕሊ 3 ሚልዮን ዶላር የውጽእ","content":"ንሱፐርማን ንፈለማ እዋን ዘላለየ መጽሄት ክብረወሰን ብዝሰበረ ዋጋ (3.25 ሚልዮን ዶላር) ተሸይጡ። በዚ ድማ እቲ ኣብ 1938 ዝተሓትመ ብ10 ሳንቲም ዝሽየጥ ዝነበረ መስሓቕ መጽሄት ዝኸበረ ኮሚድያዊ መጽሄት ኮይኑ ኣሎ። እቲ ኮሚድያዊ መጽሄት ነቲ ካብ ንቡር ሰብ ዝለዓለ ሓይሊ ንዘለዎ ገጸ ባህርይ (ሱፐርማን) ንፈለማ እዋን ዘላለየ ምንባሩ ተገሊጹ። ካብ 100 ዘይበዝሕ ቅዳሓት እቲ መጽሄት ክርከብ ከም ዝኽእል ይንገር። እዚ ናብ ዕዳጋ ዝቐረበ 'ኣክሽን ኮሚክ' ቁጽሪ 1 ዝብል ቅዳሕ፡ ምስ ካልኦት ናይ 1930ታት መጽሄታት ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከም ዝተረኽበ፡ መርበብ ጨረታ ኮሚክ ኮኔክት ሓቢሩ። እቲ ቅዳሕ፡ ሱፐርማን ብኸመይ ካብ ካልእ ፕላነት ከም ዝመጽአ ዘዘንቱ እዩ። ኣብ 1938 ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ቅዳሓት እቲ መጽሄት ተሓቲሞም ምንባሮም ወናኒ ኮሚክ ኮኔክት ተዛሪቡ። እቲ ነቲ መጽሄት ንሰለስተ ዓመታት ሒዝዎ ዝጸንሐ ሸያጢ፡ ሓደ ሚልዮን ዶላር መኽሰብ ክረክብ እንከሎ፡ እቲ መንነቱ ዘይተገለጸ ዓዳጊ ኣብቲ ዓውዲ \"ሓድሽ ኣውፋሪ\" ምዃኑ መግለጺ ኮሚክ ኮኔክት ይሕብር። ኣብ 2014 ካልእ ቅዳሕ እቲ መጽሄት ኣብ መርበብ ዕዳጋ ኢቤይ ብ3.2 ሚልዮን ዶላር ተሸይጡ'ዩ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56674506"} {"headline":"ሙዚቃ፡ ኣብ ሰሙናት ልዕሊ ሰለስተ ሚሊየን ሰባት ዝርኣዩዎ ዲሽታግና","content":"እዚ፡ ብኽያት ህጻናት፣ ሓዘን ኣዴታት፣ ቑዛመ ኣቦታት ኣብ ዝበርትዐሉ እዋን፡ ሃንደበት ዝመጽአ ጻውዒት ፍቕሪ'ዩ። ካብ ንኡሽቶ ክሳብ ዓብዪ ነዚ መልእኽቲ ከስተማቕሮ ተራእዩ። ኣብዚ ሓያሎ ተስፋ ዘቑርጽ ኩነታት ዘለወሉ እዋን ኮይኖም ዝሰምዑዎ ሰባት፡ እንታይ ኣለዎ እዚ መልእኽቲ ምትሕልላይ ናብ ባይታ እንተዝወርድ ኢሎም ተመንዮም። እዚ ኹሉ ብዛዕባ ዲሽታግና እዩ። ዲሽታግና ሓድሽ ንጽል ዜማ ድምጻዊ ታሪኩ ጋንኪሲ'ዩ። ኣብ ዩትዩብ ካብ ዝዝርጋሕ ሰለስተ ሰሙን ኣቑጺሩ። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ግን ልዕሊ ሰለስተ ሚሊየን ሰባት ርእዮምዎ። ብዙሓት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ተቐባቢሎምዎ። ዲሽታግና፡ መለወጢ በዓል ወይ ሓድሽ ዓመት ኣብ ዞባ ደቡብ ኦሞ ናይ ዝርከብ ብሄረሰብ ኣሪ'ዩ። ሓቢርና ንብላዕ፣ ሓቢርና ንስተ፣ ዝተጻልኡ ነተዓርቕ፣ ንዘይብሎም ንሃብ፣ ንተሓጋገዝ ዝብል ትርጉም ከኣ ኣለዎ። እዚ በዓል፡ \"2 ኣዋርሕ ብድኻም፣ ብሓጎስን ሓዘንን ኣሕሊፍና። ሕጂ ድማ 12 ኣዋርሕ ንቕድሜና ይጽበየና ኣሎ። ስለዚ፡ ተጻሊእና ዘይኮነ ተፋቒርና፣ ብሰላምን ምትሕግጋዝን ነሕልፎ\" ዝብል መልእኽቲ ዝስበኸሉን ብግብሪ ዝርኣየሉን በዓል'ዩ። ታሪኩ፡ ነዚ ሙዚቃ ክሰርሕ ክብገስ እንከሎ ማሕበር ልምዓት ኣሪ ስሒቡ ኣዘራሪቡዎ'ዩ። \"እዚ ንበይንና ጥራሕ ካብ ዝኸውን ካልእ ሰብ'ውን ይፍለጦ\" ኢሉ እቲ ማሕበር ከም ዘዘራረቦ ዝገልጽ ታሪኩ፡ እቲ ሙዚቃ'ውን ከም ባህሊ እቲ ሕብረተሰብ ተሓጋጊዞም ከም ዝሰርሑዎ ይዛረብ። ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ጂንካ ገብሬ ይንቲሶ'ውን፡ እቲ ሙዚቃ ብምእራም ሓጊዙዎ'ዩ። \"ተጋግየ ከይኸውን ዝብል ስግኣት ነይሩኒ፤ ፖለቲካ ከይኸውን'ሞ ከይጠፍእ ኢለ ሰጊአ ነይረ\" ይብል። ድምጻዊ ታሪኩ፡ ነዚ ሙዚቃ ክሰርሕ እንከሎ ውሽጣዊ ስምዒቱ ንምምላእ እምበር ክንድዚ ዝኣክል ቕቡልነት ክረክብ'የ ዝብል ግምት ኣይነበሮን። \"ኣነ ንባዕለይ'የ ገሊጸሉ፤ ግን ህዝቢ ኢትዮጵያ ፍቕሪ ይደሊ ነይሩ\" ይብል። ታሪኩ፡ \"ወዲ ሰብ ክሰርሕ እንከሎ'ዩ ዝረክብ እምበር ሒዝናዮ ዝመጻእና ነገር የለን፤ እንወስዶ ነገር'ውን የለን። ብህይወት ክሳብ ዝሃለና ግን ስለ ምንታይ ንጻላእ? ክብል ይሓትት። ሓቁ'ዩ፤ ስለ ምንታይ ኢና ንጻላእ?\" ነዚ፡ እቲ ድምጻዊ ክልተ ምኽንያታት የቐምጥ። ዓርሰ ፍትወትን ፈሪሃ እግዚኣብሄር ምስኣንን'ዮም። \"ናብዛ መሬት ጥራሕ ኢድና ኢና መጺእና፤ ክንምለስ እንከለና'ውን ከምኡ\" ዝብል ታሪኩ፡ \"ዓርሱ ዝፈቱ ጸቢብ'ዩ ዝኸውን፤ ሰብ ይጸልእ፣ ካብ ሰብ ይርሕቕ\" ብምባል ይገልጽ። \"ኣነ'ኳ ነዛ ሙዚቃ ምስ ሰራሕኹ 'ንስኻ ጀማሪ ኢኻ፤ ካብ መን ትበልጽ?' ኢሎም ንሞራለይ ዝነኽኡ ሰባት ኣለው\" ዝብል ታሪኩ፡ ብህይወት ክሳብ ዝሃለና ስለ ምንታይ ተፋቒርና ዘይንነብር ይብል። ነዚ ከኣ ኣብ ገለ ተለላታት፡ 'ባቢሎን ምስ በታተነና፡ ሓቃዊ ፍቕሪ ስኢንና ተሪፍና' እናበለ ኣብታ 'ሕደማ' ዝተሰምየት ሙዚቃ ገሊጹዎ ኣሎ። እዚ ሙዚቃ፡ ጽቡቕ ተቐባልነት እንተረኸበ'ውን ንሱ ዝረኸቦ ኣታዊ ግን ኣብዚ እቶ ዝብሃል ከም ዘይኮነ ይዛረብ። \"እቲ ሙዚቃ ዝተሸጠሉ ዋጋ ኣብ ሚዲያ ምዝራብ ንሰባት ከቐይም'ዩ\" ብምባል ግን እቲ ኣሃዝ ካብ ምጽራሕ ተቖጢቡ። ይኹን'ምበር \"ንኡሽቶ ገንዘብ እያ፤ ብጣዕሚ'የ ሓዚነ\" ኢሉ። ካብ ዞባ ደቡብ ኦሞ ከተማ ጂንካ ጣብያ በርቃ'ዩ ተወሊዱ። ወተሃደር ኮይኑ ኣብ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ተሳቲፉ። ንሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክነበር እንከሎ፡ ግዳም ሓደርን መዓልታዊ ሰራሕተኛን ኮይኑ ናብርኡ ይደፍእ ነይሩ። \"ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ቅርሺ ይኽፈለኒ ነይሩ\" ዝብል ታሪኩ፡ ናብርኡ ንምምሕያሽ ዘይሰርሖ ስራሕ ከም ዘየለ ይዛረብ። ጸኒሑ ብስክሌትን ጆተንን የካሪ ነይሩ። እንተኾነ፡ ህይወት ብኸምዚ ክትቕጽል ስለ ዘይትኽእል ተመሊሱ ናብ ጂንካ ከይዱ ብሕርሻ ክመሓደር ጀሚሩ። \"ናብራ በረኻ ጽቡቕ'ዩ፤ ጫካ ኣይዛረብን፣ ኣይጻረፍን፣ ካበይ መጺእኻ ኣይብልን። ኣነ ኸኣ ኣብኡ'የ ዝነብር። እቲ ቖጽሊ'ውን መድሃኒት'ዩ\" ዝብል ታሪኩ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓሙሽተ ቖልዑትን'ዩ። ደቡብ ኦሞ፡ ሓደ ካብ ዞባታት ክልል ህዝብታት ደቡብ'ዩ። ኣብ ውሽጡ ዝተፈላለየ ባህሊ፣ ቋንቋን መነባብሮን ዘለዎም 16 ብሄር ብሄረሰባት ኣለው። ብሄረሰብ ኣሪ ሓደ ካብኣቶም'ዩ። እዚ ብሄረሰብ ካብ መፋርቕ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ መለወጢ ዓመት ወይ ሓድሽ ዓመት ምኽባር ይጅምር። ብኣቆጻጽራ እቲ ብሄረሰብ ናይ መጀመርታ ወርሒ ተገይሩ ዝቑጸር ታሕሳስ'ዩ። ሓደ ታሕሳስ፡ ሓድሽ ዓመት እቲ ብሄረሰብ ኮይኑ፡ ዲሽታግና ይብሃል። ኣቆጻጽራ ዘመን እቲ ብሄሰረብ ከኣ 'ሎንጋ' ተባሂሉ ይጽዋዕ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57053413"} {"headline":"ክሳብ 20 ሽሕ ብር ዝኽፈሎ ዕዳጋ ውቃጦ ኣብ ኢትዮጵያ","content":"ዮሴፍ ተስፋዬ ይበሃል፤ 28 ሽሕ ብር ብምኽፋል ካብ መንኮቡ ክሳብ ክሳድ ኢዱ 'ንሓሳበይ ይገልጹለይ' ዝበሎም ዝተፈላለዩ ስእልታትን ጽሑፋትን ውቃጦ ኣስሪሑ’ሎ። እቲ ንዕኡ ምንጪ ሓጎሱ ዝኾነ ውቃጦ ካብ ሰባት ክልተ ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ንክቐርበሉ ምኽንያት ይኾኖ። ገሊኡ “እንታይ ኮይንካ እዚ ትገብር?” ዝብል ክኸውን ከሎ ብኻልእ ወገን ድማ “ኣጥዒሙልካ” ዝብል’ዩ። ኣብ ዝሰርሓሉ ቦታ ግን እቲ ውቃጥኡ ከይረኣይ ዝለዓለ ጥንቃቐ ከምዝገብር’ዩ ዝዛረብ። ሳምራዊት ተስፋዬን ኤልኤዘር ሙሴን እውን ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ኣካላቶም ተወቂጦም’ዮም። ንምዃኑ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እንታይ ዓይነት ውቃጦታት ብስፍሓት ይረኣዩ? ነቶም ውቃጦታት ዝኽፈል ክፍሊትከ ካብ ክንደይ ክሳብ ክንደይ ይኸውን? ትሕዝቶን ምኽንያትን ውቃጦ በዓል ሞያ ውቃጦ ሄኖክ ጥላሁን ቅድሚ ሎሚ ቅብኣታት [ስእልታት] ይሰርሕ ምንባሩ ይዛረብ። ውቃጦ ሓደ ኣካል ጥበብ ምዃኑ ብምእማን ድማ “ሄና ታቱ” ዝብል ስያመ ዝሃቦ ትካል ብምጥያሽ ክሰርሕ ካብ ዝጅምር 8 ዓመታት ተቖጺሮም። ውቃጦ ዝደልዩ ሰባት ናብኡ ክመጽኡ ከለዉ ካብቶም ኣቐዲሙ ዘዳለዎም ወይ ዝደልይዎ ዓይነት ክመርጹ ከምዝግበር ይዛረብ ሄኖክ። መብዛሕቲኦም ናብኡ ዝመጽኡ ሃይማኖታዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ውቃጦታት’ዮም ዝመርጹ። ፍቑራት ወይ መጻምዲ እንተኾይኖም ፍቕሮም ንምግላጽ ተመሳሳሊ ነገር ወይ ሓደ ናይ ካልእ ስም ይውቀጥዎ። ናይ ኣዲኦም ወይ ኣቦኦም ምስሊ ዝውቀጡ’ውን ኣለዉ። ሳምራዊት ብጸጋማይ ኢዳ ካብ መንኮባ ንታሕቲ ዘሎ ምሉእ ክፋል ብውቃጦ ዝተሸፈነ ኮይኑ፤ ዝተፈላለዩ መልእኽትታት ዝሓዙ ጽሑፋትን ነኣሽቱ ምስልታት ይርከብዎ። ኣብ ክሳዳ’ውን መስቀል ተወቂጣ። ኤልኤዘር ዝሰፍሐ ክፋል ኣፍልቡ፡ ብውቃጦ ዝተሸፈነ ኮይኑ ናይ ነብርን ኣሞራን ስእልታት ዝሓዘ’ዩ። ዮሴፍ ከኣ ምስሊ ሰዓት፣ ፍዮሪ፣ ኮምፓስን ካልእን ብቐይሕን ጸሊምን ቀለም ተወቂጥዎ’ሎ። ሳምራዊት ንሃይማኖታ ዘለዋ ፍቕሪ ንምግላጽ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጣ ዘሎ ስምዒት ንምንጽብራቕ ከምዝተወቀጠቶ ትዛረብ። ዮሴፍን ኤልኤዘርን ከኣ ውሽጦም ዝኣመነሉን ዝፈትውዎ ነገራትን ኣብ ሰብነቶም ንኽረኣይ ክውቀጡ መሪጾም። ብፍላይ ኤልኤዘር ንቤተሰቡ ዘለዎ ፍቕሪ ንምግላጽ ከምዝተወቀጠ ይገልጽ። በዓል ሳምራዊት በቶም ዝገለጽዎም ምኽንያታት ናብቲ እንዳውቃጦ ከምዝኸዱ ይግለጹ’ምበር፤ ኣብ ሰብነቶም ዘሎ በሰላ ወይ ብባህላዊ መገዲ ዝተወቀጥዎም ውቃጦታት ብዘመናዊ መገዲ ንምቕያር ዝመጽኡ ከምዘለዉ ሄኖክ ይዛረብ። ዕዳጋ ውቃጦ ኤልኤዘር ነቲ ኣብ ሰብነቱ ዘሎ ውቃጦ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ክውቀጦ ከሎ ክሳብ 20 ሽሕ ብር ወጻኢ ገይሩ’ሎ። ሳምራዊት እውን 15 ሽሕ ብር ከፊላ’ያ ኣስሪሓቶ። እቲ ዝነኣሰ ዝበሃል ንውሓት ውቃጦ 5 ወይ 6 ሴንቲሜትር ኮይኑ 500 ብር ከምዝኽፈሎ ሄኖክ ይሕብር። እቲ ውቃጦ ብዝዓበየ ቁጽሪ ድማ ዋግኡ ይውስኽ። ብፍላይ እቶም ኣብ ሕቖ ዝስራሕ ውቃጦ ክሳብ ሰለስተ መዓልትታት ከምዝውድእን ክሳብ 15 ሽሕ ብር ክፍሊት ከምዝሓትትን ይግለጽ። ነዚ ስራሕ ከም ቀንዲ ምንጪ እቶቱ ዝገበረ ሄኖክ “መዓልታዊ ስራሕ ኣሎ” ይብል። እቶም ንናይ ውቃጦ ስራሕ ዘገልግሎ ናውቲ ምስ ጊዜ ዝቀያየሩን ዝመሓየሹን ምዃኖም ብምግላጽ ነቶም እታወታት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምርካብ ግን ከምዘጸግም የረድእ። እታ መርፍእ እውን ካብ ደገ ከምእትኣትው ሄኖክ ይዛረብ። ውቃጦን ርእይቶ ሰባትን “ንውቃጦይ ሪኦም ዘማዕትቡ ሰባት ኣለዉ” ይብል ሄኖክ። ኤልኤዘር ብወገኑ “ገለ ሰባት ከም ዕዋላ ይቖጽሩኒ። ናብ ባንኪ ክኸይድ ከለኹ ዝሓዝዎ ቦርሳ ዝሓብኡ ሰባት እውን ኣለዉ” ክብል ንተጓንፎታቱ ይገልጽ። “ኩሉ ሰብ ሓደ ኣይኮነን። መናእሰይ ይፈትውዎ። ‘ክጽብቕ!’ ዝብሉ ኣለዉ። ኣሉታዊ ዝኾነ ርእይቱ ዝህቡኻ’ውን ኣለዉ። ‘ንምንታይ ከምኡ ጌርኪ?’፤ ‘ብሃይማኖት ኣይፍቀድን’ ይብሉኒ” ትብል ሳምራዊት። ካብ ቤተሰባ ዝኾነ ዓይነት ተቓውሞ ከምዘየጋጠማ እትዛረብ ሳምራዊት ነቲ 15 ሽሕ ብር ቤተሰባ ከምዝኸፈሉላ’ያ ትሕብር። ብኣንጻሩ ናይ ዮሴፍን ኤልኤዘርን ቤተሰብ ነቲ ውቃጦ ብኣወንታ ኣይተቐበልዎን። በዓል ሞያ እቲ ዓውዲ ዝኾነ ሄኖክ ኣብ ስራሕ ብዙሕ ተጓንፎታት ከምዘሎ ይዛረብ። “ፍቕረኛታት ወይ ሰብ ሓዳር ፍቕሮም ንምጽናዕ ብምሕሳብ ናባና ብምምጻእ ይውቀጡ፤ ድሕሪ ጊዜ ተመሊሶም ብምምጻእ ከኣ ‘ነዚ ነገር ኣይደልዮን፤ ከይሓሰብኩሉ እየ ገይረዮ ስለዚ ከጥፍኦ ደልየ’ ዝብሉና ኣለዉ” ይብል። ኣብ ገጾም ክውቀጡ ካብ ዝመጽኡ ሰባት ነቶም ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ “ድሕሪ ጊዜ ከይትናስሑ” ዝብል ማዕዳ ብምሃብ ከምዝመልስዎም እውን ይገልጽ። “ገለ እዋናት ከኣ ቃንዛ ኣይከኣልክዎን ኢሎም ነቲ ዝተጀመረ ውቃጦ ከይመልእዎ ዝኸዱ ሰባት ኣለዉ” ይብል። ጥዕና ውቃጦን. . . ክጠፍእኸ ይኽእል’ዶ? ስፔሻሊስት ሕክምና ቆርበትን ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ዶክተር ድጋፌ ጸጋዬ “እቶም ብዘመናዊ ኮነ ባህላዊ መገዲ ዝካየዱ ውቃጦ በላሕቲ ነገራት ተጠቒምካ ቀለም ናብ ቆርበት ሰባት ክኣትው ምግባር’ዩ” ብምባል እዚ ብመንጽር ጥዕና ክረኣይ ከሎ ጉድኣት ከምዘለዎ ይሕብር። ሰባት ብድሕሪ ኣብ ሰብነቶም ውቓጦ ምግባሮም እቲ ናይ ሽዑ ሓሳቦም ክቕየር ከምዝኽእል፤ ብፋላይ 40 ዓመት ዕድመ ካብ ዝመልኦ ጀሚሩ ዝጠዓሱሉ ኩነታት ከምዝፍጠር እቲ ዶክተር ይገልጽ። “ብተወሳኺ ከኣ ውቃጦ ዘለዎ ሰብ ደም ክልግስ ኣይፍቀደሉን፤ ምኽንያቱ እቶም ንውቃጦ ዘገልግሉ በላሕቲ ናውቲ ንተመሓላለፍቲ ሕማማት ክቃልዑ ስለዝኽእሉ” ክብል የረድእ። ውቃጦ ኣብ ቆርበት ሰባት ቁጠዐ ክፈጥር ከምዝኽእል ብምግላጽ ከኣ “ኣለርጂ ሰብነት ምስ ጊዜ ዝመጽእ’ዩ። ብድሕሪ ምውቃጥ ኣብ ዘለዉ ካብ 10 ክሳብ 15 ዓመታት ቁጠዐ ቆርበት፣ ምስሓይ ወይ ምሕባጥ ከጋጥም ይኽእል” ኢሉ። “ውቃጦ ዘለዎ ሰብ ‘ኤምኣርኣይ’ ዝበሃል ዓይነት ምርመራ ኣብ ዝገብረሉ እዋን ከም ዓይነት ውቃጡኡን ቀለሙን ኣብቲ ዝተወቀጠሉ ቦታ ምቅጻልን ምቁሳልን ከጋጥሞ ይኽእል’ዩ” ክብል ወሲኺ የረድእ። ውቃጦ ብሕክምና ዝጠፍኣሉ ዕድል ከምዘሎ ዝዛረብ ዶክተር ድጋፌ፡ እዚ ድማ ብጨረር ከምዝኾነ ይሕብር። እቲ ቀርበት ግን ምሉእ ብምሉእ ናብ ዝነበሮ ምምላስ ኣይከኣልን-ይብል።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57397728"} {"headline":"ኤርትራዊት ኣሜሪካዊት: ቲፋኒ ሓድሽ ተዓዋቲት ሽልማት ግራሚ ኮይና","content":"ኤርትራዊት ኣሜሪካዊት ኮሜድያን ቲፋኒ ሓድሽ: ተዓዋቲት ሽልማት ግራሚ ምዃና ዝሰምዓትሉ ኵነት ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘርጊሓ። ንሳ ኣብ ቀረጻ ናይቲ ብተለቪዥን ብተኸታታሊ ተቕርቦ መደብ ህጻናት እንከላ እያ ነቲ ዜና ዓወታ ሰሚዓ። ቲፋኒ በቲ 'ብላክ ሚትዝቫህ' ዝብል ኣልበም እያ፡ ነቲ ኣብ 35 ዓመታት ብዓውዲ ብሉጽ ኣልበም ኮሜዲ ነቲ ሽልማት ዝበቕዐት ጸላም ጓልአንስተይቲ ኮይና ዘላ። ናይ ቲፋኒ ፊልም ብላክ ሚትዝቫህን ጉዕዞ ናብ ይሁድነትን 'ባት ሚትዝቫህ'፡ ኣይሁዳውያን ደቂ ኣንስትዮ ዕድሚአን 12 ክመልእ ከሎ ዝጽምብልኦ፡ መግለጺ መንፈሳዊ ዕብየትን ንትእዛዛት ኦሪት [ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከቡ ሓሙሽተ ቀዳሞት መጻሕፍቲ] ንምፍጻም መብጽዓ ዝኣትዋሉን ጽምብል እዩ። ቲፋኒ ነቲ ጽምብል ምስ መበል 40 ዓመተ ልደታን ምዝርጋሕ 'ብላክ ሚትዝቫህ' ዝተሰምየ ሓድሽ ዝሰርሓቶ ኮሜድያዊ ፊልም ኣብ ኔትፍሊክስን ብሓባር ኣብ መወዳእታ 2019 እያ ኣብዒላቶ። ኣብቲ ፊልም ቲፋኒ ነቲ ኣይሁዳዊ ውርሽኣ፡ እያ ተንጸባርቕ። እቲ ጉዕዞ ንተሞክሮ ናይቶም ንመበቆሎም ዝረኸቡ ወይ'ውን ናብ ይሁድነት ሓያል መንፈሳዊ ምሰጣ ዘለዎም ብዙሓት ጸለምቲ ኣይሁድ ዘንጸባርቕ እዩ። ቲፋኒ ጓል 27 ዓመት ምስ ኮነት እያ ምስ ኤርትራዊ ኣቡኣ ክትራኸብ ዝኸኣለት፤ እንተኾነ ግና ናይ ዲኤንኤ መርመራ ድሕሪ ምግባራን ኣይሁዳዊ መበቆል ከም ዘለዋ ድሕሪ ምርግጋጻን እያ ነቲ እምነት ክትቕበሎ ዝጀመረት። ቋንቋ እብራይስጥ ክትመሃርን ንመጽሓፍ ኦሪት ክተጽንዕን ድማ ጀሚራ፤ 'ባት ሚትቭዛህ' ምጽምባል ድማ ነቲ ኣፍሪቃዊ-ኣይሁዳዊ መበቆል ወለዳ ዘኽብር ምኻኑ ተዛሪባ። ነቲ ናታ ተሞክሮ ንኻልኦት ምንጋር፡ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ምስቲ መበቆሎም ክተኣሳሰሩ ሓጋዚ ከም ዝኸውን ቲፋኒ ትገልጽ። ነቲ ጉዕዞ ክሳብ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ክጽምበርዎ ከም ዝኽእሉ ምግማት ኣጸጋሚ እዩ። ምኽንያቱ ሓደ ሰብ ኣይሁድ ዝገብሮ ዝተፈላለየ መግለጺታት ስለዘሎ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56415758"} {"headline":"ኣሜሪካዊ ራፐር ዲኤምኤክስ ብዘጋጠሞ ናይ ልቢ ሕማም ሆስፒታል ኣትዩ","content":"ኣሜሪካዊ ናይ ራፕ ሙዚቀኛን ተዋሳእን ዲኤምኤክስ፡ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ናይ ልቢ ሕማም ናብ ሆስፒታል ከምዝኣተወ ጠበቕኡ ሙሪ ሪችማን ሓቢሩ። እቲ ስነ ጥበባዊ ምኽንያት መሕመሚኡ ልዑል መጠን መድሓኒት ስለዝወሰደ ድዩስ ኣይኮነን ብዛዕባ ዝብል ጉዳይ ግን፡ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ሪችማን ተዛሪቡ። ተጠቃሚ መዐወኒ ወልፍታት ከምዝኾነ ዝዝረበሉ ዲኤምኤክስ፡ ብተደጋጋሚ ናብ ናይ ተሃድሶ ማእኸል ኣትዩ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ብናይ ሂፕሆፕ ስራሕቲ ሙዚቃ ልዑል ናእዳ ዝረኸበ ዲኤምኤክስ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ፊልምታት ካብ ምውሳእ ብተወሳኺ ምስ እኒ ጄይ ዚ፣ ጃ ሩል፣ ኢቭን ኤልኤል ኩል ጄን ብሓባር ደሪፉ’ዩ። ኣብ ስራሕቲ ስነ ጥበብ ንኣስታት 20 ዓመታት ዝጸንሐ ወዲ 50 ዓመት ዲኤምኤክስ፡ ብቕድሚ ትማሊ ናብ ሆስፒታል ከምዝኣተወ 'ዩ ጠበቕኡ ሓቢሩ። “ፈለማ ናይ መተንፈሲ መሳርሒ ተገጢምሉ’ዩ ዘስተንፍስ ነይሩ፣ ሕጂ ግን፡ ብዘይ ናይ መስተንፈሲ መሳርሒ ከተንፍስ ጀሚሩ ኣሎ” ድማ ኢሉ። ኣቦ 15 ቆልዑት ከምዝኾነ ዝዝረበሉ እዚ ራፐር፡ ቅድሚ ሕጂ ናይ ኵናት መሳርሕታትን መዐወኒ ዕጸ ፋርስን ብምሓዝ፡ ኢሉ’ውን ብሸለልትነት መኪና ብምዝዋር ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣትዩ ነይሩ። ኣብ 2018 ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ብምትላል ግብሪ ተኸሲሱ ናብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ ግዜ፡ ነቲ ተረኛ ዳይና ካብ ናይ ሙዚቃ ስርሓቱ ሓደ ሙዚቃ ስለዝደረፈሉ ማዕኸናት ዜና ኣጀንዳ ገይረንኦ ይፈልጣ እየን። ነቲ ደርፊ ዝሰምዐ ዳይና ብወገኑ “ዲኤምኤክስ ጥዑም ሰብ’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ ናይ ሓደ ዓመት ማእሰርቲ ጥራይ ፈሪዱሉ። ጠበቓ እቲ ውሩይ ራፐር፡ ሪችማን “ኣርል ታሪክ ከዘንቱ ዝኽእል ጥዑም ሰብ’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ በቲ ዘጋጠሞ ናይ ጥዕና ጸገም ዓሚዩቕ ሓዘን ከምዝተሰምዖ ተዛሪቡ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56631763"} {"headline":"ፔን ኤርትራ፡ ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ ተሸላሚ ሓርነት ምግላጽ ሓሳባት ፔን ኤርትራ 2021 ኮይኑ","content":"ፔን ኤርትራ ብምኽንያት ምእሳር ጋዜጤኛታትን ምዕጻው ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ዓመታዊ ኣብ 18 መስከረም ንዝህቦ ሽልማት፡ ናይዚ ዓመት እዚ ዕዉት ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ ክኸውን ወሲኑ። ኮሚቴ ፔን ኤርትራ ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ፡ ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ፡ ኣብ ዕቤት ስነጽሑፍ ትግርኛ፡ ቅድሚኡ ዘይነበረ ሓዲሽ ፍልጠት፡ ኣጠማምታ፡ ምደባታት ኣገዳሲ ምሰረት ዘቐመጠ ምዃኑን ናይ ሓደ ዘመን ታሪኽን ኣመዓባብላን ቋንቋን ስነጽሑፍን ትግርኛ (ኤርትራን ኢትዮጵያን) ዝዳህሰሰ፡ The history of Tigrinya literature oral and written (1890 ክሳብ 1991) ዝብል ኣገዳሲ መጽናዕታዊ መጽሓፍ ምብርካቱ ተጠቂሱ። መጽሓፍ 'ሓደ ዛንታ' ናይ ኣባ ገብረእየሱስ ሃይሉ፡ 'The conscript- a novel of Libya's Anticolonial war' ብዝብል ኣርእስቲ ናብ እንግሊዝኛ ብምትርጓም። 'Who needs a story' ብዝብል ካብ ትግርኛ ትግረን ዓርብን ዝተሓረዩ ግጥምታት ኤርትራ፡ ናብ እንግሊዝኛ ብምትርጓምን ብምሕታምን (ምስ ፕሮፌሰር ቻርለስ ካንታሎፖ) ግጥምታት ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻትን ኣብ ዩኒቨስታትን ትካላት ምርምርን ከምዝፍለጥ ብምግባር ንሽልማት ምብቅዑ ኮሚቴ ሽልማት ፔን ኤርትራ ገሊጻ። ኣብ መሰል ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት'ውን ብዘይ ምቁራጽ ብዕትበትን ብተኸታታልነትን ብውሕዱ ካብ 1992 ንሰንሰርሲፕን ናጽነት ጽሓፍትን ደርስትን ኣምልኪቱ ዝተማጓተን ዝጸሓፈን ምዃኑ እታ ኮሚቴ ገሊጻ። ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ ኣብ 1992 ኣብ ኣስመራ ንኤርትራውያን ጸሓፍቲ፣ ደረስቲ፣ ጋዜጤኛታት፣ ምሁራትን ሰብ ስልጣን መንግስትን ብዛዕባ ናይ ደረስቲ ናጽነት ዝገልጽ ጽሑፍ ብምቅራቡ ካብ መጀመርታ ናጽነት ኣትሒዙ ንመሰል ሓሳብ ምግላጽ ይማጎት ምንባሩ ተሓቢሩ። ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ መስራትን ቀዳማይ ፕረዚደንት ፔን ኤርትራን'ውን እዩ ነይሩ። ዕዉት ፔን ኤርትራ፡ ዋንጫን 1000 ዶላርን እዩ ዝሽለም። ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ ነቶም ብማንዛ ንዝተኣከቡ ኣባላት ፔን ኤርትራ ብቀጥታ ብፌስ ቡክ ኣብ ዝመሓላለፍ ዝነበረ መደብ ኣብ ዘስምዖ መደረ \"ኣብዚ መዓልቲ'ዚ ብዛዕባ እቶም ቅድሚ 20 ዓመት ንምልኪን ጭቆናን እምቢታ ዘስምዑ ናይ \"ሓሳብትካ ምግላጽ ጀጋኑ\" ኣስተንቲንና ክንሓስብን ንኣብነታዊ ተዋፋይነቶም ብክብርን ኣድናቖትን ክንዝክሮ ግዴታና ኢዩ\" ኢሉ። ብምስዓብ \"ኣብ'ዚ ኣጋጣሚ'ዚ ነቶም ኣብ'ዚ ዓመት'ዚ ኣብ ስደት ዝኸሰርናዮም ብሉጻት ጋዜጠኛታት ክዝክር'ውን እደሊ። ንምስክር፡ ካብ ኣፍ ገበል ወጺኦም ከበቅዑ ኣብ ስደት ብሞት ንዝተፈልዩና፡ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ቀስተ-ደበና ነበር ሚልቂያስ ምሕረትኣብ፡ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ሰቲት ነበር ኣሮን ብርሃነ፡ ከምኡ'ውን ግዳይ ዘይሕጋዊ ኣርባዕተ ዓመት ማእሰርቲ ዝነበረ ጸሓፊን ጋዜጠኛን ተስፋጊዮርጊስ ሃብተ . . . ምእንቲ ክብሮም ከኣ፡ ነዚ ተዋሂቡኒ ዘሎ ሽልማት ፔን ኤርትራ ንዓቶም አውፍዮ ኣለኹ፡፡ እተን ዝዋሃባኒ ገንዘብ'ውን ነቶም ኣብ ሓዘን ዝርከቡ ስድራቤታት እዞም ሰለስተ ጋዜጠኛታት አበርክተን\" ኢሉ። ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ ኣብ ዩኒቭርስቲ ኦሃዮ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዳይረክተር 'ኣፍሪካን ስታዲስ' እዩ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ሽልማት ራድዮ ኤሬና፡ ኣካያድን መስራትን መርበብ ሓበሬታ ኣዝማሪኖ ኣቶ ተስፋልደት ኣለም መሓረናን ኣሕታሚ ትካል እምኩሉን ምስ ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ ብኣባላት ፔን ኤርትራ ተሓጽዪም ከምዝነበሩ ኣባላት ኮሚቴ እቲ ሽልማት ገሊጾም። ፔን ኤርትራ ካምዚ ዓይነት ሽልማት ሎሚ ዓመት ንሳልሳይ ግዜኡ'ዩ ዝሽልም ዘሎ። ኣብ 2019 ገጣሚትን ጋዜጠኛን ይርግኣለም ፍስሃ ክትሽለም እንከላ ኣብ 2020 ከኣ መስራቲ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ኣቶ ሳልሕ ጋዲ ምሽላሙ ይዝከር።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58612826"} {"headline":"ደሃብ ፋይቲንጋ፡ ንባህሊ ኤርትራ ኣብ ፈቐድኡ ዘፋለጠት ሰነ-ጥበባዊት","content":"ደሃብ ፋይቲንጋ ብልምዲ ብስም ኣቦኣ'ያ ትፍለጥ። ኣብ ክንዲ ብደሃብ ብፋይቲንጋ'ያ እትፍለጥ። እዛ ብ10 ሰነ 1964 ኣብ ገዛ ባንዳ ጥልያን (ኣስመራ) ተወሊዳ ዝዓበየት፡ ካብተን ቀዳሞት ካብ ብሄረ ኩናማ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ንኽትጋደል ዝወረደት ጓል ኣንስተይቲ'ያ። ደሃብ ፋይቲንጋ፡ ንስነጥበብን ባህልን ኤርትራ ኣብ ፈቐድኡ ዘፋለጠት ሰነ-ጥበባዊት ምዃና ብዙሓት ይምስክሩ'ላ። ፋይቲንጋ ብጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ብሓልዮት ጕጅለ ባህሊ ህዝባዊ ግንባር ዝዓበየት፡ ብድሕሪ ናጽነት ከኣ ሞያኣ ኣማዕቢላ ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ዓለም - ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ጃፓን፡ ቻይና፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ.፡ ዳርጋ ኣብ ኵሎም ሃገራት ኤውሮጳ ወዘተ. - ዑደታት ብምክያድ ሓፈሻዊ ባህልን ዛንታን ኤርትራ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እንኮላይ ናይ ብሄረ-ኩናማ ብዝከኣላ መጠን ዘፋለጠት ምርኢት-ኣቕራቢትን'ያ። ኣብ'ቲ ዓውዲ'ቲ ኸኣ ጌና ብትግሃት ኣብ ስራሕ ትርከብ። ኣስማት ናይ ሰለስተ ደቃ - ሰሚር፣ ኢብራሂም፣ ኣለክሳንደር - ኣብ ኢዳ ውቃጦ ዘለዋ ኣደ፡ \"ብዜማታተይ ንሰማዕተይ ተስፋ ዚህብ መልእኽቲ ከመሓላልፍ'የ ዝደሊ\" ክትብል ምስ ጆል ሳቨጅ ዝተባህላ ጋዜጠኛ (ዘ ቮይስ መጋዚን) ኣብ ዘካየደቶ ቃለ-መሐትት ብዙሓት ዝዝክርዎ ሰባት ኣለዉ። \"ኣነ ብዛዕባ ሰላም፡ ፍቕሪ ዀነ ሓድነት ክደርፍ ደስ ይብለኒ፣ ዉግእ፡ ግጭት ካልኦት ዕግርግራት ኣብ ኣፍሪቃ ኣዎንታዊ ለውጥታት ከምጽኡ ኣይረኣኹን። እወ፡ እንትርፎ ስቕያት፡ ዋሕዚ ስደተኛታት፡ ብስእነት ዝፍጠሩ ቅልውላዋት ኰነ ገልታዕታዕ ዝመልኦ ናብራ ካልእ ኣይረኣኹን\" ትብል ፋይቲንጋ። ንፋይቲንጋ ብዝደለየቶ ምዕራፍ ህይወታ - ብዛንታ ንእስነታ፡ ዛንታ ገድሊ፡ ዛንታ ስደት ኰነ ሕጂ ዘላቶ ኵነታት - መሪጻ ንኸተዕልለና ዕድል ምስ ሃብናያ ብዛዕባ ዛንታ ኣቦኣን ኣዲኣን ክትጅምር መረጸት። ወለዲ ፋይቲንጋ \"ብኣቦይ ክጅምር፡ ኣቦይ ግራዝማች ፋይድ ቲንጋ ሎንጊ ዝበሃል ካብ ብሄር ኩናማ'ዩ። ካብ መግዛእቲ ጣልያን ኰነ ዘመን ንጉስ ሃይለስላሴ ብዙሕ ታሪኽ ገዲፉ ዝሓለፈ ሰብ ምንባሩ ክምስክረሉ እደሊ\" ብምባል ዛንታ ኣቦኣ ምንጋር ትቅጽል። ርግጽ'ዩ፡ ታሪኽ ፋይድ-ቲንጋ ሎንጊ ምስ ታሪኽ ህዝቢ ኩናማ ዝተኣሳሰረ'ዩ። ታሪኾም ካብ ዘበን መግዛእቲ ጣልያን'ዩ ዝጅምር። ክሳብ ግዜ ስንብታኦም፡ ብ1997፡ ብዙሕ'ዮም ርእዮምን ኣሕሊፎምን። ታሪኽ ህዝቢ ኩናማ ብብዙሓት ጥውይዋያት መንገዲ ከም ዝሓለፈ፡ ብዙሕ ሽግርን ጭቈናን ኣድልዎን ከም ዝተሞከረ ኣብ ብዙሓት ሰነዳት ታሪኽ ንረኽቦ። ካብ ኩናማ ዝሞበቖሉ ነፍሲሄር ዶክ. ኣለክሳንደር ናቲ ብዛዕባ ታሪኽን ባህልን ልምድታትን ህዝቢ ኩናማ ብዙሕ ጽሒፉ'ዩ፣ እንኮላይ ብጸገማት ህዝቢ ኩናማ። እቶም ጽሑፋት ኣብ ብርክት ዝበሉ ገጻት ኢንተርኔት ተዘርጊሖም ንረኽቦም። ዶክተር ጆርዳን ገብረመድህን'ውን ኣብ መጽሓፉ (Peasants and Nationalism in Eritrea) ብዛዕባ ፋይድ-ቲንጋ ሎንጊ ኣብ ዜስፈሮ ጽሑፍ ክንውከስ ንኽእል። ግዝኣት ጣልያን ኣብ ኤርትራ ብ1942 ምስ ተሳዕረ ኣብ ኤርትራ ቍጠባዊ ቅልውላውን ፍጹም ድኽነትን ኣተወ። እቲ ሕብረተሰብ ሕንፍሽፍሽ ኣተዎ። ህዝቢ ኩናማ ሓደ ካብ'ቶም ዝተጮቆነ ሕብረተሰብ ምንባሩ ኣብ ሰነዳት ሓለፍቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ እንግሊዝ ንለንደን ዝልእኽዎ ዝነበሩ መልእኽትታት ንረኽቦ። \"መሬቶም ሃብታም፡ ኣሓቶም ብዙሓትን ስቡሓትን፡ ባህሎምን ልምድታቶምን ሃይማኖቶምን ከኣ ፍልይ ዝበለ ዀይኑ ብደቂ ከበሳ ይዅን ቤንዓምር ይጥመቱን ይጥቅዑን ነበሩ፣ ከብቶም ከኣ ይዝረፋ ነበራ\" ይብሉ እቶም ሰነዳት። ህዝቢ ኩናማ ዝወርዶ ዝነበረ ኣደራዕ ሓያል ነበረ፣ ንባርነት ተቓሊዖምን ተደፊሮምን'ዮም፣ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ይኹን ድሕሪ ናጽነት ኣብ መሬት ኩናማ ብዙሓት ዉግኣት'ዮም ተኻይዶም፣ ብዙሓት ደቂ ኩናማ ኸኣ ንኢትዮጵያ ዀነ ንሱዳን ተሰዲዶም'ዮም። ኣብ እዋን ወትሃደራዊ ምሕደራ እንግሊዝ ሸፋቱ ዝዕድርሉ ዝነበረ እዋን ስለ ዝነበረ፡ ኣቦይ ፋይድ-ቲንጋ ሎንጊ ንማሕበረሰቦም ንክከላኸሉ ብረት ዝዓጠቐ ዋህዮ ብምፍጣር ኣብ መሬት ኩናማ ዓሪዶም ከም ዝነበሩ ይዝንቶ። ጆርዳን ገብረመድህን ከም ዘዘንተዎ ኸኣ እንግሊዝ ብጽኑዕ ይከታተሎም ነበረ፣ እንኮላይ ንበዓል ሓሚድ ኢድሪስ ዓዋተ (ቅድሚ ኣብ ቃልሲ ምሕዋሱ)። ዝዀነ ኰይኑ፡ ሓያልን ናጻ ዉልቀ-ሰብን ስለ ዝነበሩ፡ ናይ ኣይግዛእን ባህርይ'ውን ስለ ዝነበሮም፡ ኣቦይ ፋይድ-ቲንጋ ብዙሕ ጊዜ ይህደኑን ይእሰሩን ይፍትሑን ነበሩ። ፋይቲንጋ ጓሎም ከም እተዘንትዎ፡ ብ70'ታት ምስ ጀብሃ ይደናገጽሉ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ኣብ ኣግማሎም ተምሪ ጽዒኖም ንተጋደልቲ ክልእኩ ነተን ኣግማል ናይ ኣቦይ ፋይድ-ቲንጋ ምዃኖም ዝፈለጡ ጠቈምቲ ሓሰውሎም። ተኣሲሮም ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ዳኛ ንሸውዓተ ዓመት ፈረዶም። \"ይዅን'ምበር፡ ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት ተጋደልቲ ጀብሃ ንእሱራት ካብ ቤት-ማእሰርቲ ሓራ ዘውጽእሉ እዋን ኣቦይ ፋይድ-ቲንጋ ኸኣ ምስኦም ወጺኦም\" ክትብል ተዘንቱ። \"ዛንታ ኣቦይ ፋይድ-ቲንጋ ነዊሕን ኣገዳስን'ዩ። ብጊዜ ጣልያን ኣብ ዕስክርና ዝነበርሉ እዋን፡ እንግሊዝ ምስ ኣተወ ዝነበሮም ተራ፡ ምስ ሸፋቱ ከበሳን ቤንዓምርን ዘካየድዎ ውግኣት፡ ከመይ ኢሎም ከም ዝመስለሙ፡ ጸኒሖም ምስ ቤንዓምር ዝፈጠርዎ ዝምድና፡ ንህዝቢ ኩናማ ወኪሎም ኣብ ፓርላማ ኤርትራ ዝኣተውሉ እዋን፡ ብጊዜ ጃንሆይ ዘጓነፎም ጸገማት፡ ብግዜ ደርጊ ዝተኣስርሉ ዝተፈትሕሉን እዋን፡ ምስ ጀብሃ ጸኒሖም ከኣ ምስ ሻዕብያን ዝነበሮም ምትእስሳር ... ነብሱ ዝኸኣለ ዛንታን ነዊሕን'ዩ። ፋይቲንጋ ብዛዕባ ኣዲኣ ከተዕልል ድማ ከምዚ ብምባል ትጅምር ... \"ኣደይ ሓረጉ ኪዳነ ትበሃል፡ ካብ ብሄረ ትግርኛ፡ ካብ ኳዜን'ያ።\" ፋይቲንጋ ምስ ኣዲኣ'ያ ዓብያ። ብሸነኽ ኣቦኣ ብዙሓት ኣሕዋት'ኳ ይሃልዋ፡ ካብ ኣዲኣ ግን ንሳ በይና እያ። ንኣዲኣ ንምግላጽ እተጠቕመትሎም ሓረጋት ኸኣ ብክቱር ኣድናቖት ዝተሰለሙ'ዮም። \"ኣብታ ማሙቝ ሓንቲ ዝኽፍላ ገዛና ብፍቕርን ፍስሃን'የ ዓብየ። ገዛና ኣብ ማእከል ዓቢ ካንሸሎ ስለ ዝነበረ ኣብ ሞንጎ ብዙሓት ስድራ ቤታት'የ ዓብየ ክብል እኽእል። ኣደይ መዓረይ ሰሪሓ ኣዕብያትኒ ... ክሳብ ኣነ ሞሊቐ ንሜዳ ዝኸይድ\" ኢላ መላኣትሉ። እዋን ንእስነታን ጕዕዞ ንሜዳ ኤርትራን \"ኣነ ክዓቢ ከሎኹ ተምሃሮ ኤርትራ ቅሳነት ኣይነበሮምን። ኩሎም በቲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝካየድ ዝነበረ ብረታዊ ቃልሲ ልቦም ተሰሊቡ ንኽጋደሉ ኣንቂዶምሉ ዝነበረ እዋን ነበረ። ከባቢ 1975 ኣብቲ ኣነ ዝነበርኩዎ ከባቢ ብዙሕ ሰብ ይቕንጸል ነይሩ ... ኣነ ኸኣ ካብ ገዛ ሞሊቐ ነቶም ዝተቐትሉ ሰባት ንክርኢ ኣንጊሀ ክወጽእ ይዝከረኒ\" ትብል ፋይቲንጋ። ሽዑ ሃገራዊ ስምዒት ቀስ ኢሉ ኣብ ልባ ክዓስል ጀመረ። ንእሽቶ ስለ ዝነበረት ግን እቲ ዝካየድ ዝነበረ ቅንጸላታት ኣጸቢቑ ኣይርድኣን ነበረ። ሓደ መዓልቲ ንኣዲኣ 'ንምንታይ'ዮም እዞም መንእሰያት ዝቕተሉ ዘሎዉ?' ኢላ ምስ ሓተተት ነቲ ኵነታት ቀስ ኢለን ኣረድኣኣ። ካብ ሽዑ ጀሚራ ኣይቀሰነትን። ኣብቲ እዋንቲ ኣብ ሞንጎ ጀብሃን ሻዕብያን ዉግእ-ሓድሕድ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን'ዩ ነይሩ። ህዝቢ ኣስመራ በቲ ዉግኣ ተናዊጹ ነቲ ዉግእ ከህድኣ ንወኪ-ዛግር ዝወረደሉ ዘመን ነበረ፣ ከምኡ'ውን ካብ ካቶሊክ ቤተክርስትያን ኣባ ፍስሓጽዮን ዝበሃሉ ሊቀ-ካህን ንኽልቲኦም ተቐናቐንቲ ዉድባት ከተዓርቑ ዝፈተንሉ እዋን ነበረ። ብድሕሪ'ዚ ኹሉ፡ ሓደ መዓልቲ ንንግደት ፋይቲንጋን ኣዲኣን ናብ ሓትንኣን ዓባያን ንዓዲ ሸኻ ይወርዳ። ኣብቲ እዋን'ቲ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝርከባ ገለ-ገለ ዓድታት ይነዳሉ ዝነበረ እዋን ነበረ። ኣብኡ ሓየሎም ኪዳነ ዝተባህለ ተጋዳላይ ኣኮኣ ከም ዝነበረ ይዝከራ። ኣብቲ ከባቢ ንመጀመርታ እዋን ንኣኮኣን ካልኦት ተጋደልትን ምስ ረአየት ንኽትጋደል ብዉሽጣ ትውስን። ሽዑ ጓል 14 ዓመት'ያ ነይራ። ሓደ ንግሆ፡ ክዳን ኣዲኣ ተኸዲና ካብ ገዛ ሞሊቓ ትወጽእ። ብሓዝሓዝ ኣቢላ፡ ብዓዲ ንፋስ ኣቢላ ንዓዜን ትኸይድ። ኣብቲ ቦታ በዓል 'ዉጩ' (ገብረእግዚኣብሄር ዓንደማርያም) ይጸንሕዋ። ዉጩ ምስ ጎበዝኪ ተመለሲ ኢሉ ንድሕሪት ከም ዝመለሳ ፋይቲንጋ ተዕልል። \"እቲ ኹሉ መንገዲ ብእግረይ ለፊዐ ኣማስያይ ንኣስመራ እምለስ\" ትብል። ኣብ ገዛ ምስ ተመልሰት ኣበይ ከም ዝወዓለት ኣዲኣን እተን ኣብቲ ካንሸሎ ዝነበራ ኣዴታትን ፈሊጠን ብድፍረታ ገሪሙወን ኣብ ሻቕሎት ይኣትዋ። በቲ ጕዳይ ምስ ካልእ ሰብ ንኸይትዛረብ ድማ ብጽኑዕ የማሕጽንኣ። ፋይቲንጋ ግን ናይ ልባ ስለዘይሰመረላ ንካልእ ኣጋጣሚ ክትጸናጸን ትጅምር። ጸኒሓ ንሜዳ ተሓቢኣ ክትከይድ ኣንጊሃ ትብገስ። እንደገና ኣይንቕበለክን ኢና ኢሎም ንድሕሪት ይመልሱዋ። ሽዑ ኣብ ምምላሳ ኣብ ዓዲ ንፋስ ምስ በጽሐት ካልኦት ተጋደልቲ ትረክብ። \"እቶም ዝረኸብኩዎም ተጋደልቲ በዓል ወዲ-ኤፍረምን ወልደንኪኤልን ዝበሃሉ ነበሩ። መደበይ ምስ ኣካፈልኩዎም ንሳቶም'ውን ንእሽተይ ኢኺ ተመለሲ ይብሉኒ። ኣይምለስን'የ ኢለ ምስ ኣቕበጽኩዎም ንምዃኑ ካበይ መጺእኪ? ጓል መን ኢኺ? ኢሎም ምስ ሓተቱኒ ኩሉ እነግሮም - ጓል ገዛባንዳ ጥልያን ምዃነይ፡ ብዛዕባ መንነት ኣቦይን ኣደይን፡ ካብ ብሄር ኩናማ ምዃነይ\" ኢላ ተዕልል። ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት ካብ ብሄር ኩናማ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዝተጸንበሩ ተጋደልቲ ሒደት'ዮም ነይሮም። ህዝቢ ኩናማ ንጀብሃ'ምበር ንህዝባዊ ግንባር ዳርጋ ኣይፈልጥዋን ነበሩ። ካብ'ቶም ምስ ግንባር ዝነበሩ ተጋደልቲ (ኩናማ) ጀርማኖ ናቲን ኦሰያ ዱማን ዝበሃሉ ፍሉጣት ተጋደልቲ ነበሩ። ኣድላይነት ፋይቲንጋ ተራእዩ ንኽትጋደል ይቕበሉዋ። ንእገረመገዲ ምውካእ፡ ፋይቲንጋ ነዞም ክልተ ተጋደልቲ ኣብ ህይወታ ዓቢ ተራ ስለ ዝነበሮም ብጽቡቕ'ያ ትዝክሮም። ሕጂ ጀርማኖ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ፡ ኦሰያ ድማ ሽዓ ኢሉ ከም ዝተሰውአ ትዝክር። ፋይቲንጋ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝተጻወተቶ ተራ \"እቶም ተጋደልቲ ምስ ተቐበሉኒ ንዛግር ይሰዱኒ፣ ኣብኡ ቀንየ ኸኣ ንሶሎሙና እወርድ። ጸኒሐ ኸኣ ንከረን እጐዓዝ። ኣብቲ እዋን'ቲ ከረን ሓራ ወጺኣትሉ ዝነበረ እዋን ነበረ (1977)\" ኢላ ዛንታኣ ትጅምር። ከረን ሓውሲ መደበር ኰይና ብ1978 ቀዳማይ ኮንግረስ ህዝባዊ ግንባር ኣብኡ ከም ዝተኻየደ ዝዝከር'ዩ። \"ካብ ከረን ንሳሕል ወሪደ ... ብኣፍዓበት ኣቢልና ኣብ ብሌቓት ንኸይድ ... ኣብኡ ንኣዋርሕ ኣብ ታዕሊም እኣቱ፣ ኣብ ገድሊ ሓድሽ ህይወት ንምጅማር ኣብ ከረን ተመዲበ\" ኢላ ዘሕለፈቶ ትዝክር። \"ስትራተጂካዊ ምዝላቕ ኣርኪቡ ብዙሕ መከራ ኣሕሊፍና ... ብሙሉኣትና ስለዝኸተትና ንሓጋዝ ንኸይድ ... ኣብኡ ዝተኻየደ ዉግኣት ዘስካሕክሕ ነበረ ... ናፓልም እናፈሰሰና፡ ዉጉኣትና ተሰኪምና ... ዉጉኣትና መሊሶም ክውግኡ ... ብዙሕ ነገራት ርእየ ... ሽዑ ዝነበረ ሕንፍሽፍሽ ... ወዲ-በይን፡ መራሕ ጋንታና ይዝከረኒ ... ዉግኣት ከነመላልስ ኣብታ ተጻዒንናያ ዝነበረት ኤነ-3 ትግልበጥ ... ሽዑ ዝሓለፈ\" ኢላ ዝን ትብል። ስትራተጂካዊ ምዝላቕ ማለት ህዝባዊ ግንባር፡ ብናይ ደርጊ (ብደገፍ ሶቬት ሕብረት) መጥቃዕትታት፡ ሓምለ-ታሕሳስ 1978 ካብ ኩሉ ሓራ ወጺኡ ዝነበረ መሬት ተደፊኣ ዝወጸትሉ ዘመን'ዩ። እቲ ዘመን'ቲ ኣዝዩ ፈታኒ'ዩ ነይሩ። ወራራት ኢትዮጵያ ዝጀመረሉ እዋን ነበረ። ኣብ መዝገበ-ቃላት ታሪኽ ኤርትራ ሰፊሩ ከም ዝርከብ ሽዑ ብዙሓት ተጋደልቲ ኣብ ዓዲ ያዕቆብ ከም ዝተሰውኡ፡ ማዕረ 400,000 ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ተዓቚቦም ነበሩ። ብ1978 ንባረንቱ ንምሓዝ ዝተገብረ ፈተን ኣይሰለጠን። ኣብቲ መጥቃዕቲ ባረንቱ ከም ጀማሂር ንሳን ጀርማኖን ንክትርጕሙ ኣብቲ ዉግእ ከም ዝነበሩ ትዝክር። \"ብድሕሪኡ፡ ጌና ንእሽቶ'የ ነይረ ... ኣብ ናይ ካድር ትምህርቲ ንኽምሃር እልኣኽ ... በዓል ድሩዕ'ዮም ነይሮም መምህራንና\" ትብል። መቸም እቶም ተዘክሮታታ ከም ዉሕጅ ክፈሱ ስለ ዝጀመሩ ብዙሕ ዛዕባታት ብምልዓል ሰፊሕ ባይታ ክትከድን ትፍትን። \"ኩሉ'ንድዩ ዝዝከረንን ዝርኣየንን ኰይኑ!\" ኢላ ተዕርፍ። ብድሕሪኡ ናብ ናቕፋትሰግር፡ ሽዑ'ያ ኣብ ባህሊ ኣትያ። \"ብጾተይ ኣብ ባህሊ ኣትየ ንክዋሳእ ኣጸቢቖም'ዮም ኣተባቢዖምኒ። ኣነ ኸኣ ጽቡቕ ገይረ ኣትየዮ፡ ፈትየዮ ኸኣ። እቲ ዝተረፈ፡ ኣብ ዓውዲ ባህሊ ዝተሳተፍኩዎ፡ ተጋደልቲ ብጾተይ ከመይ ገይሮም ይከናኸኑኒ ከም ዝነበሩ፡ ኣብ መድርኽ ክወጽእ እቲ ሓፋሽ ከመይ ገይሩ ከም ዝሓቘፈኒ ክገልጸልካ ኣይክእልን\" ትብል። \"እታ ቀዳመይቲ ደርፈይ 'ላጋላ ፋለፈሶ' ትበሃል ... ብዛዕባ መሰል ሰራሕተኛታት ትምልከት ደርፊ'ያ ነይራ\" ኢላ ክትደርፋ ትጅምር። \"ነቲ ዜማ ጀርማኖ ናቲ'ዩ ጽሒፉለይ\" ድሕሪ ምባል ንብዓታ ይስዕራ። \"ብድሕሪኡ እታ ኣብ ቦሎኛ ዝደረፍኩዋ ንዓይ ዘፍለጠትኒ ደርፊ ኦሰያ ዶማ'ዩ ጽሒፉለ\" እናበለት ተዘንቱ። ዕላላ ብምቕያር \"ኣብ ሜዳ ቋንቋ ኩናማ ዘጽረኹ ብሳላ ጀርማኖ ናቲን ኦሰያ ዶማን'ዩ\" ብምባል ንብጾታ ብክብሪ ትዝክሮም። ዛንታ ፋይቲንጋ ንምድምዳም ... ፋይቲንጋ ንኣሕዋታ ሓደ-ብሓደ ብምዝካር ብዙሓት ከም ዝተሰውኡ ተዘንቱ። ከሊፋ ዝበሃል መሰትኣ ኣብቲ ብ'98 ዝተኻየደ ውግእ ባድመ ተሲዊኡ። ቅድሚኡ፡ ተጋደልቲ ጀብሃ ዝነበሩ ሰለስተ ኣሕዋታ - ኣሕመድ፣ ዓሊ፣ ሓመድኑር - ተሰዊኦም'ዮም። ሓሚድ ዝበሃል ሓዋ፡ ባረንቱ ብሓምለ 1985 ብግንባር ተታሒዛትሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ወርሑ ድማ ወትሃደራት ኢትዮጵያ ምስ ተቘጻጸርዋ ብጥቈማ ረኸቡዎ፣ ኣብኡ ኸኣ ቀተልዎ። ዓብደልቃድር ዝበሃል ካልእ ሓዋ ምስ ጀብሃ ዝተጋደለ ኣብ ከብዱ ተወጊኡ ከም ዝደሓነ ትዝክር፣ ሕጂ ኣብ ባረንቱ ብህይወቱ ከም ዘሎ ትሕብር። መሓመድ ዝበሃል ዓቢ ሓዋ፡ ከምኡ'ውን ሰለስተ ኣዋልድ ኣሕዋታ ብህይወቶም ምህላዎም ተዕልል። ኣደይ ሓረጉ፡ ኣዲኣ፡ ብ1995 ፋይቲንጋ ምስ ባህላዊ ጕጅለ ኣብ ዑደት ዝነበረትሉ እዋን ካብ'ዛ ዓለም ተፈልያ። ኣቦኣ ኸኣ ክልተ ዓመት ጸኒሖም ሰዓቡወን። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝነብር ዮና ጀርማኖ ናቲ ከም ዝበሎ፡ ኣቦይ ፋይድ-ቲንጋ ብ1997 ኣብ መሬት ኩናማ ኣብ ዝዓረፍሉ እዋን ብምዝካር፡ \"እቲ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ቀብሮም ይዝከረኒ\" ኢሉ ይምስክር። \"ዕድመ ጸጊቦም ስለ ዝዓረፉ፡ ባህሊ ኩናማ ከም ዝጠልቦ፡ ላም ተሓሪዳ፡ ቀባሪ ድማ ብጓይላን ሳዕስዒትን'ዩ ኣፋንይዎም\" ይብል። እታ ብሰነ 2021 ዝተዘርግሐት \"ጸሊኤካ\" ዘርእስታ ሓዳስ ደርፋ ዓቢ ተቐባልነት ረኺባ ኣላ። እቲ ፍረነገር ናይ'ታ ደርፊ ብኵነታት ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን መናእሰይ'ያ ተውክእ። ፋይቲንጋ ኣብ ስደት - ሃገረ ስዊዘርላንድ'ያ ትነብር።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58612716"} {"headline":"ቅዳሕ ናይታ ስእሊ ሞናሊዛ ዝኾነ ቅብኣ ልዕሊ 300 ሽሕ ዶላር ይግመት ኣሎ","content":"ብተምሳል ስእሊ ሞናሊዛ ዝተሰርሐ ካልእ ቅብኣ፡ ኣብ ዕዳገ ፓሪስ ኣስታት 365 ሽሕ ዶላር ከውጽእ ይኽእል እዩ ተባሂሉ ተገሚቱ። እዚ፡ ናይታ ኣብ 17 ክፍለ ዘበን ብሊዮናርዶ ዳ ቬንቺ ዝተሰርሐት ስእሊ ሞናሊዛ ቅዳሕ ዝኾነን፡ ብካልእ ኣድናቒኡ ከምዝተሰርሐ ዝእመነሉ ጥበብ፡ ብሽም ወናኒ እቲ ቅብኣ ዝኾነ ራይሞንድ ሄኪንግ፡ 'ሞናሊዛ ሄኪንግ' ብዝብል መጸውዒ እዩ ዝፍለጥ። ኣብ 1977 ዓ.ም ዝሞተ ሄኪንግ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ቤተ መዘክር ሎቭር እትርከብ ነባር ስእሊ ሞናሊዛ ናይ 'ሓቃውነት' ሕቶ ክለዓል ገይሩ ነይሩ። እቲ ተምሳል ስእሊ ሞናሊዛ፡ ሕዚ ኣብ ከተማ ፓሪስ ክሪስቲ ኣብ ዝተብሃለ ህዝባዊ ዕዳጋ እዩ ንጨረታ ክቐርብ። ሄኪንግ፡ ኣብ 1950ታት እዩ ኣብ ኒስ ነቲ ቅብኣ ተዋግዩ ዓዲግዎ። እቲ ዘጫርት ዘሎ ክርስቲስ ኣብ ዝወጽአ መግለጺ \"ታሪክ እዚ ስራሕቲ ጥበብ፡ ኣብ ልዕሊ ስራሕቲ ጥበብ ሞናሊዛን ዳ ቬንቺን ዘሎ ናእዳ ዘርኢ እዩ\" ኢሉ ። እቲ መግለጺ፡ ቅድም ክብል ዓለምለኻዊ ዳይሬክር ነባር ዓበይቲ ስራሕቲ ጥበብ ዝኾነ ፒሬ ኢትየኒ፡ 'ሞናሊዛ ሄኪንግ ናይ ሓደ ኣብ ስእሊ ዓብዪ ጦብላሕታ ዝነበሮ ሰብ ፍረ እዩ ናይ ርእሱ ፈጠራ እዩ\" ኢሉ ምንባሩ የዘኻኽር። ራይሞንድ ሄኪንግ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ስእሊ ዓቢይ ናእዳን ኣድናቖተን ከምዝነበሮ ኣብ ሚድያታት ከይተረፈ ይዛረብን ይሙግትን ከምዝነበረ ይዝከር። እታ ነባር ስእሊ ሊዮናርዶ ዳ ቬንቺ ዝኾነት ሞናሊዛ፡ ኣብ ታሪክ ኣብ ዓለም ብቐዳምነት ካብ ዝስርዑ ስራሕቲ ጥበብ ቅብኣ ሓንቲ እያ። ሞናሊዛ፡ ኣብ መባእታ 16 ክፍለ ዘበን ከምዝተሰርሐት እዩ ዝእመነላ። ኣብ 1911 ግን ካብቲ ፍሉጥ ቤተ መዘክር ሎቭሬ ምስተዘምተት ኣብ መላእ ዓለም መዘራረቢ ኾይኑ ነይሩ። ሓደ ናይዚ ፍሉጥ ቤተ መዘክር ሰራሕተኛ ዝኾነ ውልቀ ሰብ እዩ ሸፊኑ ሓቢኡ ከውጸኣ ፈቲኑ። እንተኾነ፡ ኣብ 1913 ኣብ ከተማ ፍሎረንስ ንሓደ ማእከል ስራሕቲ ጥበብ ክሸጣ እንትዋገ ተረኺቡ። ቅድሚ ክልተ ዓመት ድማ፡ ካልእ ቅድሚ ስእሊ ሞናሊዛ ከምዘተሰርሐ ዝእመነሉ ኣብ ለንደን ኣብ 1960 'ታት ዝተረኽበ ውጽኢት ቅብኣ፡ ናይ ዋንነት ግጭት ኣልዒሉ ምንባሩ ይዝከር።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57395752"} {"headline":"ኣብ ኢንግላንድ፡ ለድበሪ ቤተ-ክርስትያን ጥንታዊ ቅብኣ ድራር ጎይታ ተረኺቡ","content":"ንልዕሊ 100 ዓመት ኣብ ቤተ-ክርስትያን ምእመናን ተንጠልጢላ ዝተረኽበት ቅብኣ ፡ ምስ ስርሓት ውሩይ ቀባኢ ዘበነ ተሃድሶ ቲትያን ዝተተሓዘት ምዃና ይእመን። እቲ ናይ መወዳእታ ድራር ክርስቶስ እተርኢ፡ ኣብ ኩሉ ኣብያተ- ክርስትያንን ምእመናንን እትረአ ቅብኣ፡ ብ1909 ኣብ ለድበሪ: ሄርፎርድሻየር: ንቤተክርስትያን ቅዱስ ሚካኤልን ንቤተ-ክርስትያን ኩሎም መላእኽትን ብህያብ እተዋህበ እዩ። ተመራማሪ ታሪኽ ቅብኣ ሮናልድ ሙር ፡ ኣብታ ዝተረኽበት ቅብኣ እቲ ውሩይ ኣርቲስት ቲትያን ኣብ ድሕሪ እታ ቅብኣ ክታሙ ከም ዘንበረ ይኣምን ። \"ኵሉ ሳዕ ቲትያን ከምኡ ክገብር ከምዝኽእል ይግምት እኳ እንተነበረ ክሳብ ኣብዛ ሕጂ ዝተረኽበት ስእሊ ብጭቡጥ ዘለልዮ ግን ክፈልጦ ኣይከኣለን። ሕጂ ግን እቲ እቲ ነገር በሪሁልና እዩ” ይብል። ሚስተር ሙር፡ ብዝምልከቶም ኣባላት እታ ቤተ-ክርስትያን ኣብታ ዝተረኽበት ቅብኣ ግቡእ ምርምር ድሕሪ ምግባር ፡ ነቲ 3.6 ሜትር ዝጎድኑ ናብ ጥንታውነቱ ከሐድሶን ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ ስራሕ ተዋሂቡዎ። ንሱን ተሓጋጋዚኡ ፓትሪሽያ ኬኒን፡ ምስቲ ኣብ መበል 16 ዘመን ዝነበረ ቤኔሳዊ ስነ-ጥበባዊ ንኸተሓሕዙዎ ን11,000 ሰዓታት ሰሪሖም። ቲታያን ብዝብል ቅጽል ዝፍለጥ ስነ-ጥበባዊ ኢጣልያዊ ቀባኢ ቲዛኖ ቬቸልዮ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቤኔትያን ዝዓበየ ቀባኢን ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ፍሉጣት ኢጣልያውያን ቀባእቲ ዘበነ ተሃድሶ እዩ ነይሩ ። ተመራማሪ ቅብኣ ሚስተር ሙር፡ ብድሕሪ እቲ ገዚፍ ቅብኣ፡ ካልእ ብቐሊሉ ዘይልለን ዘይረአን ረቂቕ ጥበብ ገይሩ ክታሙ ዘስፍር ኣብ ዓውደ ቅብኣ ዝተራቐቐ ክእለትን ሞያን ዘማዕበለ እምበር ማንም ተራ ቀባኢ ክገብሮ ዘይክእል ምዃኑ ይገልጽ። ሙር፡ ሓያል ጸርጊ ብርሃን ተጠቒሙ’ዩ ነቲ ቲትያን ኣብ ታሕተዋይ ጸጋማይ ክፋል እታ ስእሊ ዘንበሮ ክታም ረኺቡዎ። ብዘይካ’ዚ፡ ቲትያን ንሓደ ካብቶም ሃዋርያት ምስ መልክዑ ብምስስሳል ከምዘቐብኦ ክግንዘብ ክኢሉ። ኣብታ ምስሊ ድራር ፋሲጋ እተርኢ ፖርትረይት ቅብኣ ካብ ዘለው ሃዋርያት እቶም ክልተ ንደቂ ቲትያን ከምዝመስሉን፡ እዚ ድማ ቲትያን ነታ ድራር-ጎይታ ብስድራ ቤታዊ ምስሊ ከምዝሃነጻ ወይ ከምዝቐየራ ኣብ ምርምሩ ኣስፊሩዎ ኣሎ። ሚስተር ሙር፡ እታ ብሓልዮት ማሕበር ቤኔታይን ደናግል ንኽትቅባእ ዝተደልየት ስራሕ ቲትያን ድሕሪ ምማቱ ሓደ ዓመት ብ1576 እያ ተዛዚማ። ቲትያን \"ኣዝዩ ህቡብን ብስራሕ ትሑዝን ስነ-ጥበባዊ እዩ ኔሩ። ስለዝኾነ ከኣ እዩ ነታ ቅብኣ ወዲኡ ከረክባ ዘይከኣለ ይመስለኒ፡\" ይብል ሙር ። ምናልባት፡ እቲ ፍሉጥ ቀባኣይ ቲትያን ኣብቲ ብዙሓት ሰባት ብሕማም ፌራ ዝሞቱሉ ዝነበረ እዋን ምስ ሞተ፡ ወዲ ቲትያን ቀባኣይ ነቲ ስእሊ ናብ ምስሊ ስድራ ቤት ክቕይሮ ተገዲዱ ክኸውን ይኽእል\" ይብል ሙር። እቲ ስነ-ጥበበኛ ኣብ ቨኒስ ዓቢ ቤት-ዕዮ እዩ ነይርዎ። ኣብቲ ዘበን እቲ ቬኒስ ስሙያት ስነ-ጥበባውያንን ጸሓፍትን ቀባትን ዝእከቡሉ ቦታ ምንባሩ ሙር ይጠቅስ። ካብ ክልተ ወይ ሰለስተ ስነ-ጥበበኛታት ንላዕሊ እውን ኣብታ እተዛርብ ዘላ ቅብኣ ሰሪሖም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ከኣ ይግምት። ተመራማሪ ቅብኣ ሚስተር ሙር፡ እቲ ጥንታዊ ቀባኢ ቲትያን \"ነቲ ንድፊ ናይቲ ቅብኣ ምስ ወዱ ኮይኑ እኳ ኣልዒሉዎ ክኽውን ዝኽእል እንተኾነ፡ ንብምሉኡ ወይ ንመብዛሕትኡ እቲ ቅብኣ ባዕሉ ዝቀብኦ ዘመላኽት ነገር ከምዘይረኸብ ይሕብር። \"እቲ ዘሐጕስ ነገር ፡ እዚ ቅብኣ ካብ ቤት ዕዮ’ቲ ውሩይን ፍሉጥን ቀባኢ ቲትያን እተረኽበ ክሳብ ሕጂ ከይተፈልጠ ዝጸንሐ ቅብኣ ምዃኑ እዩ\" ይብል ሙር።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/56249102"} {"headline":"\"ዓዲ ዃላ ውዒለ እንክምለስ ራማ\" ወዲ ዎንግ","content":"ኣንቶንዩ ዎንግ ቻይናዊ ዘመቦቆሉ እንግሊዝያዊ ክንሱ ኣብ ትግራይ ብስራሕ መደብ 'ጂኦሎጂስት' ይሰርሓሉ ኣብ ዝነበረ እዋናት ጭራ ዋጣን ክራርን ተለማሚዱ 'ናይ ሓበሻ ምግቢ ብዙሕ ሽንጉርቲ' ኢሉ እናደረፈ ሰባት የዛኒ። ጓይላ ትልሂት እውን ኣዝዩ ይፈቱ እዩ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-45989213"} {"headline":"ጓል 110 ዓመት ዕድመ ዝኾና ኣደ፡ ኣብ መዓልቲ ልደተን ብዘስመዐኦ መዝሙር ኣብ ቲክቶክ ገኒነን","content":"ኣሚ ሃውኪንስ ዝተባህላ ብሪጣንያዊት ኣደ፡ ኣብ መበል 110 ዓመት መዓልቲ ልደተን፡ ብዝዘመረኣ ፍልጥትን ህብብትን ደርፊ ቀዳማይ ኵናት ዓለም ኣብ ቲክቶክ ኮኾብ ዓለም ኮይነን። ወይዘሮ ኣሚ ሓውኪንስ ኣብ ዕለተ ልደተን ነታ \"መገዲ ቲፔራሪ [ኣየርላንድ] ነዊሑና\" (It's A Long Way to Tipperary)፡ እትብል ፍልጥቲ ደርፊ ቀዳማይ ኵናት ዓለም እናዘመራ ወዲ 14 ዓመት ወዲ ጓለን ብቪድዮ ቀዲሑ ኣብ ቲክ ቶክ ምስኣውጽአን እዩ ህቡብነተን ብሓንሳብ ሰማይ ዓሪጉ። ኣብ ሓደ ሰዓት ከኣ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰብ ርእዩወን። ተወላዲት ማንማውዝ ዝኾና ወይዘሮ ኣሚ፡ ክንዲ ወዲ ጓለን ኣብ ዝነበራሉ ዕድመ ንእስነተን፡ ኣብ ምሉእ ብሪጣንያ እናዞራ ናይ ሳዕስዒት ምርኢት የቕርባ ነይረን። እንተኾነ ኣብቲ እዋን ትደርፍ ጓለንስተይቲ ትኽበር ስለዘይነበረት፡ ወላዲተን 'ደርፊ ጽቡቕ ኣይኮነን' ስለዝበለአን እየን ምድራፍ ኣቋሪጸን። እቲ ቪድዮ ኣብ መላእ ዓለም ምስተራእየን ብሰብ ምስተፈትወን፡ ኣደ ናይቲ ነቲ ምስሊ ዝቐረጸ ወዲ 14 ዓመት፡ \"ብሰብ ምፍታው ጽቡቕ እዩ፤ ኣብ ደቂ ሰባት እምነት ከምዝህልወካ እዩ ዝገብር\" ብምባል ተዛሪባ። እዘን ኣደ ኣብ እዋን ምዝዛም ቀዳማይ ኵናት ዓለም፡ ጓል ሸውዓተ ዓመት እየን ነይረን። ካብ ሽዑ ጀሚረን ድማ ናይ'ቲ እዋን ደርፍታት ይደርፋ ነይረን። \"ከምዛ ሰዓት'ያ፡ ሓንሳብ እንተ ኣጀሚርካያ፡ ደው ኣይትብልን። 'ካልእ ክደርፈልኩም' ኢላ ትሓተካ\" ትብል ጓል ጓላ ዝኾነት ሃና ፍሪማን። ወይዘሮ ኣሚ ምስ ሰለስተ ወለዶታት ኣባላት ስድራቤተን እየን ዝነብራ። ሃና፡ ኣብዚ ናይ ዕጽዋ እዋን ምስዘን ናይ ዕድመ ብዓልቲ ጸጋ ምንባሮም ዝፈጥረሎም ሓጎስ እንትትገልጽ፡ \"ኣዚና ዕድለኛታት ኢና\" ትብል። \"ዓባይና ማእከል ናይ ኩሉ'ያ፡ ኣብ ዙርያኣ ኢና ንእከብን ንነብርን\" ድማ ትብል። ንወዳ ሳቻ፡ ክትዋዘ 'እስከ ንዓባይካ ቪድዮ ቅድሓያ' ከምዝበለቶ ዘኪራ፡ እንተኾነ ዘይተጸበየቶ ግብረመልሲ ምርካቡ ክትኣምን ኣይክኣለትን። \"ንፍዕቲን፡ ገርህን'ያ፡ ዝጽግማ የለን\" ብምባል ድማ ትገልጻ። ወዳ ምስ ዓባያ ጥቡቕ ርክብ ከምዘለዎም ዝገለጸት ሃና፡ \"ኣዝዩ'ዩ ዝፈትዋ\" ትብል። እቲ ሕጺር ቪድዮታት ብምእንጋድ ዝፍለጥ መተግበሪ ቲክቶክ፡ ኣብ 2016 ዝተጀመረ ኾይኑ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰባት ይጥቀምሉ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55904722"} {"headline":"ብፕሮፌሰር ኃይሌ ገሪማ ተፃሒፉ ዝተዳለወ ፊልም ‘ሳንኮፋ’ ኣብ ኔትፍሊክስ ክረኣይ’ዩ","content":"ኣብ 1993 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ናብ ምርኢት ዝበቕዐ ፊልም ‘ሳንኮፋ’፡ ብኩባንያ ኣሬይ ኣቢሉ ካብ 14 መስከረም ጀሚሩ ኣብ ኔትፍሊክስ ክረኣይ’ዩ። ብፀለምቲ ሰብሞያ ፊልም ዝተሰርሑ ፊልምታት ብምድላውን ብምክፍፋልን ዝፍለጥ ኣሬይ፡ ፊልም ‘ሳንኮፋ’ ናብ ተመልከትቲ ከቕርብ ብኔትፍሊክስ ብምምራፀይ ኩርዓት ተሰሚዑኒ ኢሉ። ብኃይሌ ገሪማ ተፃሒፉ ዝተዳለወ ‘ሳንኮፋ’፡ ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ተበጊሳ፡ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ናይ ሕርሻ ቦታ ጊላ ብዛዕባ ዝኾነት ጓልኣንስተይቲ ተሕልፎ መከራ ዘርእይ’ዩ። ሳንኮፋ ናብ 4ኬ ፅሬት ምስሊ ክብ ዝበለ እንትኾን፡ ካብዚ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ኔትፍሊክስ ክረኣይ’ዩ። ኣብ ኣሜሪካ፣ ካናዳ፣ ዓባይብሪጣንያ፣ ኣውስትራልያን ኒውዝላንድን ናብ ዝርከቡ ተመልከትቲ ከምዝቐርብ ድማ ተገሊፁ። ናብ ምርኢት ምስበቕዐ ብዙሕ ሽልማታት ዝረኸበ ፊልም ሳንኮፋ፡ ዘከፋፍል ስለዘይረኸበ ግና፡ ኃይሌ ገሪማ ባዕሉ ናብ 35 ሃገራት ዘይሩ ከምዘርኣዮ ይግለፅ። ኣብ 1982 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዝተለቐቐ ፊልም \"ኣሽስ ኤንድ ኤምበረስ\" እውን ቅድሚ ሕዚ ብኔትፍሊክስ ኣቢሉ ናብ ተመልከትቲ ቀሪቡ’ዩ። ወዲ 75 ዓመት ኃይሌ ገሪማ ኣብ ከተማ ጎንደር ተወሊዱ ከምዝዓበየ ይዛረቡ። ወላዲት ኃይሌ ገሪማ፡ ናይ ቀዳማይ ብርኪ ቤት-ትምህርቲ መምህር፣ ኣቡኡ ገሪማ ተፊካ ድማ፡ መዳለዊ ተዋስኦ ከምዝነበረ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዘ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መሕተት ተዛሪቡ። ኣሰር ኣቡኡ ብምስዓብ ድማ፡ ናይ ኣቡኡ ትያትር ይለማመድ ኔሩ። ድሕሪ እዚ፡ ኃይሌ ገሪማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቀዳማዊ ኃይለ ስላሰ ማእኸል ምህዞ ንሓፂር ግዘ ምስ ፀንሐ፡ ድራማ ከፅንዕ ናብ ኣሜሪካ ተጓዒዙ። ካብ ኦፍ ካሊፎርኒያ ሎስ ኣንጀለስ ዩኒቨርሲቲ ማስተርስ ዲግሪ ምስሓዘ፡ ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሆዋር ሙያ ፊልም ኣምሂሩ። ኣወር ግላስ፣ ቻይልድ ኦፍ ሬነሰንስ፣ ሃርቨስት 3000፣ ዓድዋ፣ ቡሽማማ፣ ሳንኮፋን ጤዛን ፕሮፌሰር ኃይሌ ገሪማ ካብ ሞንጎ ዝሰርሖም ብዙሓት ስራሕቱ’ዮም።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58608555"} {"headline":"በዓልቲ-ቤት ህቡብ ተዋሳኣይ ሆሊዉድ ዊል ስሚዝ ምስ ካልእ ሰብኣይ ዝምድና ከምዝነበራ ሓቢራ","content":"ብዓልቲ-ቤት ህቡብ ተዋሳኣይ ሆሊዉድ ዊል ስሚዝ፡ ጃዳ ፒንከት ስሚዝ: ምስ ራፐር ኣጋስታስ ኣልሲና ዝምድና ከምዝነበራ ሓቢራ። እታ ተዋሳኢት፡ 'ሬድ ቴብል ቶል' ኣብ ዝተባህለ ናይ ፌይስቡክ መደብ፡ ምስ በዓል ቤታ ዊል ስሚዝ ብሓባር ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መሕተት እያ ገሊጻ። ንሳ፡ እቲ ዝምድና ካብኡ ምስተፈልየት ከምዝፈጸመቶ'ውን ወሲኻ ሓቢራ። \"ተፈላሊና ኔርና። ምስ ግዜ ድማ ምስ ኣጋስት ናብ ካልእ ዝተፈልየ ምጥንናግ ማዕቢሉ\" ክትብል ተዛሪባ። ዊል ስሚዝ፡ ምጥንናግ ድዩ ነይሩ ወላስ ጾታዊ ዝምድና ኢሉ ምስ ሓታታ፡ \"ኣብቲ እዋን ጓሂ ስለዝነበረኒ ልበይ'ውን ተጎዲአ ነይረ\" ክትብል መሊሳ። እዞም መጻምዲ፡ ኣብ 1997 ተመርዕዮም ክልተ ቆልዑ ምስ ወለዱ ተፈላልዮም ነይሮም። ሕጂ ግን ብሓንሳብ ከምዘለው ብወግዒ ሓቢሮም። እዞም ስድራ፡ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝናፈስ ዘሎ ወረን ግምታትን ግልጺ ንምግባር እዮም ኣብቲ ዝገበርዎ ሾው ሓበሬታ ክህቡ ተገዲዶም። ኣብ ቀረባ እዋን፡ ራፐር ኣጋስት ኣልሲና፡ ምስ ሓደ ማዕከን ዜና ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት፡ ምስ ጃዳ ፒንከት ዝምድና ከምዝነበሮምን ዊል ስሚዝ ድማ ምስኣ ርክብ ክገብር ፍቓድ ከምዝሃቦን ተዛሪቡ ነይሩ። ጃዳ ፒንከት ግን \"ኣብቲ ዝነበረ ፍሉይ ኩነታት፡ ኣነ ጥራሕ እየ ፍቓድ ክህብ ዝኽእል\" ክትብል መሊሳ። ዊል ስሚዝ፡ ኣብቲ ቅድሚ ዓርባዕተ ዓመት ዝነበረ ዝምድና እንታይ ዓይነት ስምዒት ትደልዪ ኔርኪ ኢሉ ምስ ሓተታ፡ \"ጽቡቕ ክስመዓኒ'ዩ ነይሩ ድልየተይ፡ ጽቡቕ ስምዒት ከይተሰመዓኒ ነዊሕ ግዜ ገይረ ነይረ\" ክትብል መሊሳ። ኣብዚ እዋን እታ ስድራ-ቤት ብሓንሳብ ከምዘላን፡ ኣብ \"ፍጹም ፍቕሪ\" ይነብሩ ከምዘለውን ጃዳ ፒንከት ወሲኻ ሓቢራ። ዊል ስሚዝ'ውን ምስኣ ብምስምምማዕ፡ ጽቡቕ ናብራ ከምዘለዎም ሓቢሩ። ኣብ መወዳእታ እቲ ምርኢት ድማ \"ብሓንሳብ ክንጋልብ ኢና፡ ብሓንሳብ ክመውት ኢና። ክሳብ መወዳእታ ሕማቕ ሓዳር\" ካብ ባድ-ቦይስ ዝተወስደ ጥቕሲ ወዲኦም።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/53372777"} {"headline":"\"ምምያ ኣብ ምዕቃብ ክብርታት ኤርትራ ኣበርክትኡ ዕዙዝ'ዩ\" ሰሎሞን ድራር","content":"ደራስን ዳይሬክተርን ሰሎሞን ድራር፡ ስነ ጥበብ ብፍላይ ስነ ጽሑፍ ኤርትራ ይዓቢ ከምዘሎ ይዛረብ። ኣብ ኤርትራ በብዓመቱ ልዕሊ ሓደ ምኢቲ መጽሓፍቲ ከምዝፈርዩ'ውን ተዛሪቡ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53759116"} {"headline":"ሰንደቕ ጥበብ ድምጻዊት ኣብርሀት ኣንከረ","content":"በዓል ናጽነት ኣብ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ፍሉይ ዝኽርን ጦብላሕታን ኣለዋ። እቲ ዝኽሪ ምስ ዝተፈላለየ ውልቃውን ሓባራውን መግዛእታዊ ግፍዕን በደልን፡ ነቲ ዓመጽን ጭቆናን ንምምካት ዝተኻየደ ቃልስን ዝተኸፍለ መስዋእትን ክዓሙቕን ክደምቕን ይኽእል። ኣብ ቃልሲ ሓርነት ኣብ በረኻን ኣብ ዓድን፡ ኣብ ስደትን ሕምብርቲ መግዛእትን ኮይኑ በብዝኽእሎን ብዓቕሙን ዝተሳተፈን ናጽነት ክትጽምበል ዝመስከረ፡ ኣብ ዓድን በረኻ ብክእለትን ፍልጠትን፡ ብጥበብን ብረትን፡ ኣብ ስደት ብሓበሬታን ንዋትን ዝተቓለሰ ኩሉ ኣብ ነብሲ ወከፍ ግንቦት ጽንብል ናጽነት ፍሉይ ዝኽሪ ኣለዎ። ኣብ ዝባን ከበሳ፡ ኣብ ዛግር ተወሊዳ ዝዓበየት፡ ምስ ምንቅስቓስ ህዝባዊ ሓይልታት ናብቲ ኸባቢ፡ ብንእስነታ ብሃገራዊ ስምዒትን ፍቕርን ዝተጸልወት፡ ካብ ሓረስቶት ስድራ ተወሊዳ ስምይቲ ሃገራዊት ሰንደቕ ጥበብ ክትከውን ዝበቕዐት ኣብርሀት ኣንከረ፡ በቲ ነጎድጓዳዊ ድምጻን፡ መድርኽ ናይ ምቁጽጻር ብቕዓታን ነብሰ ተኣማንነነታን እዮም ዝዝክሩዋ ብዙሓት። ኣብ መፋርቕ ሰብዓታ ናብ ቃልሲ ሓርነት ዝተሰለፈት ትዕግስቲ ሃይለ ንኹሉ ደርፍታት ኣብርሀት ኣንከረ እያ ትፈትዎን ትደርፎን። ብሰንኪ ጽልዋ ደርፍታታ ጥራሕ ከኣ ብማዕዶን ኣብ መድረኽን ጥራሕ ንእትፈልጣ ድምጻዊት ጓል ኣንከረ ብልዑል ኣድናቖት ከም ቀረብኣ ትቖጽራ። ኣብ ዝኾነ ዕላላት ስማ እናኽለዓል ከኣ ብምሒር ተምሳጣ \"እቲ ድምጻ እኳ ነጎድጓድ'ዩ\" ብምባል ንገለ ካብ ደርፍታታ ክትደግሞ ብምፍታን ኣድናቖታ ትገልጽ። ኣብ ፈለማ ሰማንያታት ባህሊ ውድብ ምስ ቆመ ኣብ ሰናጭሮ ዓራግ እትዝክራ ተጋዳሊት ገነት፡ ንጓል ኣንከረ ንትምህርቲ ብዝነበራ ክቱር ጽምእን ናይ ምፍላጥ ድሌትን እያ ትዝክራ። ኣብርሀት፡ ኣብታ ንኽትመሃር ዕድል እትረኽበላ እዋን ምስ መጽሓፍያ ቅኒን ክትብል ግዜኣ ተሕልፎ። ንዝኾነ ይፈልጥ እዩ እትብሎ ክምህራን ከረድኣን ዓቕሚ ንዘለዎ ዝኾነ ይኹን ሰብ 'ኣረድኣኒ' ብምባል ነብሳን ዓቕማን ከተማዕብል እትጽዕር ህርኩትቲ ተጋዳሊት ምንባራ ትዝክር ገነት። ኣብርሀት ኣንከረ፡ ኣብ ሓደ እዋን ምስ ሚድያ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፡ ብምቕሉል ትሕትና፡ 'ኣነ ኣብ ህዝባዊ ግንባር'የ ተወሊደን ዓብየን' ብምባል፡ ከም ሰብ ኣብቲ ሓርነታዊ ውድብ ከም እተቐርጸት ብምግላጽ፡ ንኹሎም እቶም ኣብ ስነ-ጥበብን ኣካዳምን ንኽትመሃር ዝሓገዙዋ ብጾታ ልዑል ምስጋናን ክብርን ኣቕሪባትሎም ነይራ። ብኡ መጠን ከኣ ሰማዕታን ሰዓብታን ብትሕትናኣን ክእለታን የድንቑዋን የመስግኑዋን። ትዕግስቲ፡ ነታ \"ኣላሽ ኣበልናዮም\" እትብል፡ ንሕቶ መሰል ርእሰ ውሳኔ ህዝቢ ኤርትራን ንጽንዓትን መኸተን ተቓለስቲ ሓይልታትን እትጉልሕን ንፖለቲካዊ መስመር ስርዓት ደርግ እተቃልዕ ደርፊ ኣብርሀት ኣንከረ ዳርጋ ከምዘላታ እያ ትደግማ። ነቲ ዝተሓልፈ ጽንኩር ግዜን መስርሕን ንኽትዝክር ብትሑት ድምጺ፦ ኣላሽ ኣበልናዮም ኣብ ጸጣሕ ጎንጎል ሕጂ'ዶ ይሓይሽ ዕጽድጽድ ምንጥል ነዊሕ'ዩ ሴፍና ዕጽፍ ዘይብል ወይልኹም እክብካብ ገስገስቲ መሰል . . . \" እናበለት ተዚማ። እዛ ኣብ 1977 ኣብ ህዝባዊ ግንባር ተወዲባ፡ ኣብ ኩናት ሰምሃርን ኳዜንን ከም ሓፋሽ ውድባት ኣገልጊላ፡ ኣብ 1978 ምስ ካምቦድያ ተዓሊማ ኣብ ብርጌድ 51 ዝተመደበት ድምጻዊት ተጋዳሊት ኣብ ቅድመ ግንባር እውን እጃማ ኣበርኪታ እያ። እቲ ድሕሪ 30 ዓመት ብረታዊ ህልኽን መኸተን ንሰራዊት ደርግ ስዒሩ ናጽነት ኤርትራ ዘረጋገጸ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ግንባራት ዓሪዱ ጥራሕ ይዋጋእ ኣይነበረን። ነቲ ተዋጋኢ ሓይሊ ዝድግፉ ከም ክፍሊ ህንጻን መጓዓዝያን፡ ዕጥቅን ስንቅን፡ ንግድን ሕርሻን፡ ክፍሊ ትምህርትን ምርምርን፡ ዜናን ባህልን፡ ምንቕቓሕን መጽናዕትን ዝኣመሰሉ ትካላቱ፡ ንመንኮርኮር እቲ ቓልሲ ንቕድሚት ዝወንጨፉ ዘደንቑ ትካላት ምንባሩ ገዳይም ተጋደልቱ የረድኡ። ንጥፈታት እቲ ኣብረሀት ኣንከረ እትዋስኣሉ ዝነበረት ባህሊ ውድብ ከኣ ኪኖ እቲ መዳፍዕን ተወንጫፊ ሮኬታትን ዝበጽሐ ኣርያም እናነጎደ ሞራል ህዝብን ተጋደልትን የበርኽን ንመንፈስ ጸላእቱ ኣብ ምድኻም ልዑል ተራ እዩ ነይሩዎ። ኣብርሀት እውን \" ተዋጋኢ ሰራዊት ኣብ ግንባራት፡ ሓፋሽ ውድባት ኣብ ውሽጢ ሰራዊት፡ መሃንድሳት ኣብ ምስራሕ ጽርግያ ኮታ ኩሉ'ቲ ኣብቲ ቃልሲ ዝተሰለፈ በብዓቕሙ ስለዝተወፈየ እዩ ናጽነት መጺኡ\" ብምባል ባህላዊ ጎስጓሳት ኣብ ናጽነት ኤርትራ ዝነበሮ ኣበርክቶ ቀሊል ዘይምንባሩ ተረድእ። ሰውራ ኤርትራ ኣብ 1978 ብምትእትታው ሕብረት ሶቬት ሒዙዎ ካብ ዝነበረ ከተማታት ኣዝሊቑ ናብ ሳሕልን ባርካን ምስ ተመልሰ፡ ድምጺ ሓፋሽ፡ ነቲ፡ 'ኣሎና ሎሚ እንተረሓቕና ጽባሕ ሰዊድና ክንምለስ ኢና' ዝብል ደሃይ መኸተ ዘንጸባርቕ ደርፍታት ድምጻውያን ብማዕበል ተሰኪማ ናብ ህዝቢ ብምብጻሕ ዝተጻወተቶ ተራ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ኣብርሀት ኣንከረን ብጾታን ካብ ከበሳታት ኤርትራ እኳ እንተረሓቑ ድምጾምን መልእኽቲ መኸተኦምን ግን ኣብ ነብሲ ወከፍ ሬድዮ ዝወለዐት ገዛ የቃልሕ ምንባሩ፡ ኣብርሀት ብነጎድጓዳዊ ድምጻ ኣብ ነብሲ ወከፍ ቤት እያ ትዝከርን ትኽበርን። ብዙሓት መንእሰያት ከኣ ብመልእኽቲ ዜማታታ ናብ ቃልሳ ከምዝተጸምበሩ ርግጸኛ እየ ትብል ትዕግስቲ ማዕረ እቲ ንሳ ተኽብራን ተፍቅራን ዘኽብሩዋ ኣሽሓት ከምዘለው ብምግላጽ። ነብሲ ወከፍ ድምጻዊ\/ት ካብ ደርፍታትካ\/ኪ ነየነይቲ ተድንቕ ወይ ተፍቅር ተባሂሉ ክሕተት እንከሎ፡ ካብ ደቅኺ ንመኖም ትፈትዊ ተባሂላ እትሕተት፡ ዝበዝሕ ግዜ ንኹሎም ደርፍታቱ ብማዕረ ከምዝርእዮም እዩ ዝዛረብ፤ ኣብርሀት ኣንከረ እውን ተመሳሳሊ ምላሽ እዩ ዘለዋ። ዝደረፈቶም ደርፍታት ገሊኦም ድሕሪ ምዝላቕ 'ኣሎና' ንምባል፡ ገሊኦም ንመኸተ መጥቃዕትን ጸረ-መጥቃዕትን ህዝባዊ ሰራዊት ንምምጓስ ዝተሓሓዝ እዩ። ብድሕሪ እታ ኣላሽ ኣበልናዮም እትብል ደርፋ ከኣ ንተካእትን ተረከብቲ ሕድርን ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ነበር ዝደረፈታ ደርፊ ትዝክር። ክሳብ ሕጂ ከኣ ኣስታት 130 ዝኾኑ ደርፍታት ኣፍርያ ኣላ። ሓደ ካብ ኣድነቕታ ዮውሃንስ ዑቕባይ ከኣ ኮኾብ ድምጻዊት ጓለንስተይቲ ሰውራ እያ ክብል ኣድናቖቱ ይገልጽ። ነቲ ኣብ መፋርቕ ሰማንያታት ዝደረፈታ \"ፋኖ ኣምበላይ\" እትብል ደርፋ ኣብ ዘላ፦ \"ሰብ እዩ እምበር'ታ በዓል ነብሲ መዓስ ተደሪዑ ሓጺን ልብሲ ሳላ ጽንዓት ሳላ እታ መትከሉ በዓል ታንኪ መከናይዝድ ኮይኑ\" እትብል ንጽንዓት መኸተን እቲ ሓደ ምስ ዓርስተ እናገጠመ ካብ ዜሮ ተበጊሱ ብመስዋእቱን ቃልሱን ብሓይልን ዓመጽን ዝተጓዕጸጸ መሰል ርእሰ ውሳኔኡ ዘረጋገጸ ህዝበዊ ሓይሊ ከምእተዘኻኽሮ ይሕብር። እቲ ኣብ ሓርነታዊ ቓልሲ ዝተራእየ ኣብ ዝኾነ እዋን ክድገም እዩ ኢልካ ዘይትጽበዮ ሃገራዊ ተወፋይነት ምንጭን ሓይልን ኩሉ ስነ-ጥበባዊ ፍርያት ምንባሩ እትገልጽ ድምጻዊት ኣብርሀት፡ እቲ ውድብ መን ኣበይ የድምዕ ኣጽኒዑ ንሰብ ኣኣብ ዘድምዓሉ የሳትፎ ምንባሩ ትሕብር። የውሃንስ ብወገኑ እቲ ኣብ ሳሕል ብፍቕሪ ሃገር ዝነደደ ሰብ ፍጡር ክነሱ ድርዒ ሓጺን ከምዝለበሰ ምስ ታንክታት እናተራጸመ ዝስዋእን ዝውፈን ዝነበረ መድሕን ሃገር ኣኣብ ዝኣተዎ ከድምዕ ነብሱን ሕልንኡን ይሰርዕ ብምንባሩ እቲ ዘደንቕ ተኣምር ከምዝተፈጸመ ብምግላጽ፡ ከም ትዕግስቲ ንደርፍታት ድምጻዊት ኣብረሀት ኣንከረ ወትሩ ከምዘይርስዖ የረድእ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/52757684"} {"headline":"“ንሃገረይ ዘይተመለስኩሉ ምኽንያት ...” ረዘነ ተስፋጽዮን","content":"“ምጽፋይን ግህደትን ምልካውነት” ዘርእስታ ብረዘነ ተስፋጽዮን ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ድሮ ተዘርጊሓስ ብዙሕ ይዝረበላ ኣሎ። እታ መጽሓፍ፡ ሰባት ብሕልነኦም “ኣበይ ነይረ”? “እንታይ ገይረ?” “ኣብ ህይወተይን ህይወት ካልኦትን እንታይ ኣበርኪተ?” “ኣበይ ተጋግየ?” “ሕጂኸ ኣበይ ኣለኹ?” ስለምንታይ’ከ “ንሃገረይዘይተመለስኩ?” ንዝብል ዉልቃውን ሃገራውነትን ሕቶታት ንከስቆርቁሩሉ ትደፍኦም። ብድሕሪ ናጽነት ግዳሳት ኤርትራውያን ጸሓፍቲ ብዛዕባ ተመኩሮኦም ተመኩሮ ካልኦትን ሓደ ሓደ መጻሕፍቲ ይጽሕፉ ኣለው። ሓደ ካብኦም ብዙሕ ዝረኣየን ዝሰርሐን፡ ኣብ ሃገር ሽወደን ኡፕሳላ ዝነብር ምስ ሽወደናውያን መዘነታቱ ተወዳዲሩ ኣብ ዓውደ ፖለቲካ ብቕዓቱ ዜመስከረ፡ ንኤርትራውያን ዜጓንፎም ጸገማት እናረድእን ዓቕሞም እናሓየለን ዕዉት ናብራ ዝመርሐ ረዘነ ተስፋጽዮን እዩ። ረዘነ ኣብ ሽወደን ን45 ዓመታት ነቢሩ ኣሎ። 45 ዓመታት ነዊሕ እዩ? ስለምንታይ ግን ናብ ሃገሩ ዘይተመልሰ? እታ 370 ገጻት ዝሓዘት መጽሓፉ ብዛዕባ ታሪኽ ህይወቱ እያ ተዘንቱ። ጸሓፊ ብታሪኹ ኣቢሉ ኣብ ኤርትራ ዝተሰግሩ ሽግራት፡ ኣብ ስደት ዝተኻየዱ ቃልስታት፡ ኣብ ናጽነት ዝተወልዑ ዉዕዉዓት ስምዒታት፡ ከምኡ’ውን ዘይተማልኡ ሕልምታት ዘርዚሩ ኣቕሪቡዎም ኣሎ። ብዓቢኡ ኸኣ ንምንታይ ንሃገሩ ከም ዘይተመልሰ ኣነጺሩ ገሊጹዎ ኣሎ። ኤርትራን ገድሊ-ኤርትራን መብዛሕትኡ ጊዜ፡ ኤርትራ ብብረታዊ ገድልን ተጋደልታን’ያ ትዝከር። ካብቲ ዛዕባ’ቲ ወጺእካ ምጽሓፍ ንምንታይ ከም ዘይተኣታተወ ሰፊሕ ትንታኔ ዜድልዮ ዛዕባ ዀይኑ እቶም ነቲ ሓጹር’ቲ ጥሒሶም ዝጸሓፉ ሰባት ሒደት እዯም። ካብ ብረታዊ ቃልሲ ወጻኢ ዝዀኑ ሓያላት ሸነኻት ስለ ዘለው፡ ታሪኽ ኤርትራ ካብ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ ፍንትት ኢሉ ክትረኽ ኣድላዪ’ዩ። ብኣርባዓታት ዝተሰግሩ ግድላት፣ ብሓምሳታት ዝተኻየደ ዉዲትን ጥልመትን፣ ብስሳታት ዝተኻየደ ጐበጣ፡ ግፍዒ ጦር-ሰራዊት፡ ከምኡ'ውን ሽዑ ካብ መታሕት ንሱዳን ዝተሰደ ህዝቢ (እሞ ኸኣ ጌና ካብ ሱዳን ዘይተመልሰ ህዝቢ)፣ ብሰብዓታት ደርጊ ዘስዓቦ ምብትታን፡ ዝሰዓበ ማእሰርትን ግፍዕን ህልቂትን ዉግእ ሓድሕድን (ኣብ ሞንጎ ጀብሃን ሻዕብያን) ሽዑ ዝተኸሰተ ዋሕዚ ንስደት (እንኮላይ ንኤውሮጳን ኣሜሪካን ሃገራት ኣዕራብን) ብውልቀ ዛንታን ተመኩሮን ክንገሩ ዝግበኦም ብኣሽሓት ዝቍጸሩ ዛንታታት ኣሎዉ። ብተወሳኺ፡ ብሰማንያታት ዝቐጸለ ዋሕዚ-ስደት፡ ንቃልሲ ናጽነት ዝድግፍ ብስደተኛታት ዝተገብረ ኣበርክቶ፡ ብተስዓታት ዘርከበ ናጽነት፡ ዘሕደሮ ጽልዋን ተስፋን፡ ድሕሪ ሒደት ዓመታት ዝተወልዐ ዉግእ ባድመ፡ ካብ ድሕሪ ዉግእ ክሳብ ሕጂ ዘጓነፉ ሽግራት፡ ከም ምስጓግ-ህዝብታት፡ ስደት መንእሰያት ዝኣመሰሉ ማእለያ ዘይብሎም ክንገሩ ዝግብኦም ዛንታትት ኣሎዉ። ረዘነ፡ ሓደ ካብ'ቶም ነዚ ዝተዘርዘረ ክውንነት ብቐረባ ስለዝፈልጦ ተመኩሮኡ ብመልክዕ ምስክርነት ንህዝቢ ኣቕሪቡ'ሎ። ንገድሊ ኤርትራ፡ ኣበርክቶን ሓገዝን እቶም ኣብ ግዳም ኮይኖም ዝቃለሱ ዝነበሩ ውፉያት ሓፋሽ ውድባትን ንዋታውን ሞራላውን ደግፍ ዝህብ ዝንበረ ሓፋሽ ህዝብን ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ኣብ ምጉስጓስን ምውዳብን ሓፋሽ ዲያስፖራ ዓቢ ተራ ዝነበሮም ከም ረዘነ ዝኣመሰሉ ውፉያት ተቓለስቲ ታሪኾም ብምጽሓፍ ነቲ ዘይተነግረ ክፋል ዛንታ ስደት ህዝቢ ኤርትራ ምሉእ ክገብሩዎ ኣገዳሲ እዩ። ረዘነ መጽሓፉ ንወለዱ'ዩ ናይ ቃልሲ ብጾቱን እዩ ወፍዩዋ። ተስፋይ ወልደሚካኤልን መንግስትኣብ ኣስመሮምን ኣብ ቅድሚ-መእተው መጽሓፉ ናእዳኦም ኣንቢሮምላ ኣሎዉ። ከምኡ'ውን ብቀረባ ንረዘን ዝፈልጡዎ፡ ሊቀ-ካህናት ተክለ-ማርያም ምርካጽዮን፡ ምስክርነቶም ኣቕሪቦም ኣሎዉ። ሊቀ-ካህናት ተክለ-ማርያም ምርካጽዮን ንረዘነ ብሓርኰትኮቱ'ዮም ዝገልጽዎ። ካብ ቀደም ኣትሒዙ፡ \"ኣብ ማሕበር-መንእሰይ ፍኖተ ብርሃን፡ ኣባል ረድዮ ኣስመራ፡ ኣብ ትካላት ስፖርት ብልዑል ሓላፍነት ዘገልገለ ንጡፍ ሰብ'ዩ\" ክብሉ መስኪሮምሉ። ቀጺሉ ረዘነ፡ ኣብ 1974 ብከመይ ንስደት ከም ዜምርሐ፡ ሃገረ-ሽወደን ዝገበረትሉ ምቅብባልን ዝለገሰትሉ ዑቕባን፡ ከም ሰብ ንኽዕምዕብል ድማ ዝኸፈተትሉን ዝተጠቕመሉን ዕድላት፡ ኣብኡ ዀይኑ ድማ ምስ ብጾቱ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘበርከቶም ስርሓት ገሊጹዎ ኣሎ። እቶም ኣብታ መጽሓፍ ሓሓሊፎም ቀሪቦም ዘሎዉ ፍጻሜታት፡ ፍሉያት ዛንታት ዉልቀ ሰባት፡ ምስክርነታት፡ ንኣንባቢ ሓድሽ ዓለም ይኸፍቱ'ዮም። ደራሲ ብዛዕባ ማሕበር ንናጽነት ኣብ ኤውሮጳ፡ ኤርትራዊ ማሕበረ-ሰብ ኣብ ሽወደን ናይ ቀረባ ኣፍልጦ ስለ ዝነበሮ ኣብ ጽሑፉ ኣስፊሩዎ ኣሎ። ረዘነ ኣብ ሃገር ሽወደን፡ ካብ 2002 ክሳብ 2006 ንሰልፊ ሶሻል-ደሞክራትስ ወኪሉ ዘገልገለ ኣባል ፓርላማ'ዩ። እታ 26 ምዕራፋት ዝሓዘት መጽሓፍ ከኣ ካብ ቁልዕነቱ ክሳብ እዛ እዋን ንዘላ ህይወቱ እያ ትገልጽ። እቲ ትግርኛ ጽፉፍ'ዩ፣ እቶም ዘቕረቦም ዛንታታት ድማ ሰሓብቲ'ዮም። ብፍላይ እቲ ኣብ ሰብዓታት ኣብ ኣስመራ ዝነበረ፡ ጸሓፊ ዝሓለፎ ጕዕዞን ዝገለጾ ኩነታትን ዝፈልጥ ሰብ፡ ነታ መጽሓፍ ብምንባብ ነቲ ብጊዜ ምንዋሕ ኣብ አእምሩኡ ክሃሱዎ ዝኽእሉ ዝኽርታት መሊሱ እዩ ዝኹልዖ። እቲ ሽዑ ዝነበረ ሕንፍሽፍሽ፡ ዘይምዕሩይ ኣካይዳ ፖሊስ ኤርትራ፡ ማእሰርቲ መንእሰያት፡ ንሜዳ ሃጽ ኢሉ ዝጠፍእ ዝነበረ ህዝቢ፡ ፋሕ-ፋሕ ዝኣተወን ስድራ-ቤታት ኤርትራ፡ ... ኣብ ዉሽጥኻ ጸላዕላዕ ዜብሉ ተርእዮታት የኸትሉ። ምናዳ ንድሕሪት ተመሊስካ ምርኣዯም፡ ነቶም ተቐቢሮም ዝነበሩ ስምዒታት ኣተንሲእካ ኣብ ናይ ሓሳብ ዕልቕልቕ ምእታው ከም ማለት'ዩ። ነቲ ሽዑ ዘይነበረ ንኡስ ወለዶ ከኣ \"ለካ እዝን-እትን እውን ተሰጊሩ'ዩ እዩ\" ዘብል እዩ። እቶም ኣብቲ መጽሓፍ ቀሪቦም ዘሎዉ ፍጻሜታት፡ ኤርትራዊ ክሳብ ክንደይ ሽግር ከም ዘሕለፈ የርእዩ። ሰብ ንቡር ህይወቱ ንከይመርሕ ዝዕንቅጽ፡ ስራሑን ስድራ-ቤቱን ጠንጢኑ፡ መጻኢ ዕድሉ ሰዊኡ፡ ንክጋደል ንበረኻ ወይ ንስደት ዘንፍጽ ምንባሩ ዘርኢ ተዘክሮታት ኣሎ። መደምደምታ እታ መጽሓፍ ዳርጋ ኣብ ኩሎም ምዕራፋት ተነስኒሱ ኣሎ። ስለዝኾነ ሃዲእካ ከተንብቦ ትግደድ። ምኽንያቱ ደራሲ፡ ብቅደ ሕሉፍ ዝኽሪ\/ፍላሽ ባክ\/ን ብህሉው ኩነትን፡ ቀደም ኵነታት ከመይ ከም ዝነበረ፡ ሕጂ ኸኣ ከመይ ከም ዘሎ እናኣነጻጸረን ፍርዲ እናሃበን ኢዩ ጽሒፉዎ። ኣንባቢ፡ \"ህዝቢ ሕጂ ቅድም ይሕሾ፡ ናይ ሎምን ትማልን መነባብሮኡ እንታይ ይመስል? ኵነታት ማእሰርቲ ትማልን ሎምን ከመይ ኣሎ? ሰብኣዊ መሰላት'ከ? ኵነታት ስደት ህዝቢ ኤርትራ (ሽዑን ሕጅን) ከመይ ይመስል?\" ዝብሉ ሕቶታት ኣንባቢ መልሲ ክህበሎም ይኽእል'ዩ። ኤርትራዊ ዝሓለፎን ዝሓልፎ ዘሎ ብደሆን ገድልን ዳርጋ ኣይተነግረን። ኣብ ስደት ብዛዕባ ኣዴታት ዓዲ ጣልያን፡ ብዛዕባ ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ዝነበሩን ዝተዋሰኑን፡ ዋኒኖም ገዲፎም ናብ ቃልሲ ዝኣተዉን ዝጠፈሹን ሰባት፡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ዝዓበዩን ዝኸርተቱን ዜጋታት፡ ዛንትኦም ንሓድሽ ወለዶ ክንገር ኣገዳሲ እዩ። መበገሲኡ ፈሊጡ መጻኢኡ መታን ክቕይስ። ረዘነ'ምበኣር ብመጽሓፉ ኣቢሉ መገዲ ከፊቱ'ሎ ስለዘሎ ዝኽእል ዘበለ ጸሓፊ ክኽተሎ ዘለዎ ኣገዳሲ ዕማም እዩ። ኣብ ስደት ዝተበተነ ኤርትራዊ በብዝኸዶ ይጠፍእ ምህላው ክስወር ዘይክኣል ሓቂ'ዩ። ዝወጽእ'ምበር ዝምለስ ዳርጋ የለን ክብሃል ይከኣል። ና ጽነት ምስተረኽበ ኩሉ ስደተኛ ንሃገሩ ዝምለስ እዩ ዝመስሎ ነይሩ። ዳርጋ ኣብ ነብሲ ወከፍ ገዛ እውን ይዝረበሉ ነይሩ። ክምለሱ ፈቲኖም ዘይተዓወቱን ተመሊሶም ዝሰተሰዱን እውን ኣለው። ስለምንታይ ንዓዲ ምምላስ ከም ዘይተኻእለ መፍሓፍ ረዘነ መሊሳቶ ኣላ። \"ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ (1991) ናብ ሃገረይ ክምለስ ልዑል ምንዮትን ባህግን ነይሩኒ። ስለምታይሲ ብፈለምኡ´ውን ካብ ሃገር ክወጽእ ብናይ ደገ ገዛእቲ ብዘውረድዎ ህዝባውን ሃገራውን ዓመጽ ተገዲደ እየ ዝተሰደድኩ። . . . ነብሰይ ደኣ ከም ኣብነት እወስድ ኣለኹ'ምበር እቲ ካብ ሓምሳታት ኣትሒዙ ካብ ሃገሩ ዝተሰደ ዜጋ ምኽንያት መስደዲኡ ፖለቲካዊ ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ ሃገር ብመስዋእቲ ሓርበኛታት ነጻ ምውጽኣ ድማ: ናብ'ታ ንዓመታት ዝናፈቕናዮም ሃገርን ህዝብናን ክንጽበር ባህጊ ኔሩና። ባህግና ብዙሕ ከይሰጎመ ግን ተዀልፈ\" ይብል ረዘነ። እቲ ረዘነ ዝሃቦ መልሲ ኣብኡ ተሓጺሩ ኣይተርፍን። እቲ ኣበርኪቱዎ ዘሎ መጽሕፍ ብዝተፈላለዩ ሸነኻቱ ኤርትራ ብናቱ ኣተሓሳስባ ንስደተኛ ህዝባ ንኽትቅበል ዘይከኣለት ብግልጺ ኣስፊሩዎ ኣሎ። \"እቲ ስርዓት ስለዘይተዳለወ ጥራይ ዘይኰነስ ድልየት'ውን ዘሎዎ ኣይመስለንን\" ክብል ርእይትኡ ብጽሑፍ ኣቕሪቡዎ ኣሎ። ቀጺሉ ኸኣ ረዘነ፡ እቲ ተሰዲዱ ዘሎ ንሃገሩ እንተ ዝምለስ ካብ ዝብል ጽንሰ-ሓሳብ ተበጊሱ፡\" ኤርትራ ነቶም ዓቕምን ክእለትን ዝደለቡ ደቃ ብዘይምእካባ ብገንዘብ ክትመን ዘይከኣል ዓቢ ክሳራ ወሪዱዋ ኣሎ\" ይብል። እታ ብትግርኛ ዝቐረበት መጽሓፍ ብቋንቋታት ኢንግሊዝን ካልኦት ቋንቋታት ኤርትራ ተሓቲማ ብርትዓዊ ዋጋ ናብ ህዝቢ ክትቀርበሉ ዜኽእል ዕድል እንተዝርከብ ብዙሕ ሰብ እውን ምኸሰበ ዝብል ርእይቶ ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይዝረብ ኣሎ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54744165"} {"headline":"ፍልጥቲ ራፐር ኒኪ ሚናጅ ንትሬሲ ቻፕማን 450 ሽሕ ዶላር ክትከፍላ ተስማሚዓ","content":"ራፐር ኒኪ ሚናጅ፡ ምስ መሰል ቅዳሕ ብዝተሓሓዝ ምስ ኒኪ ሚናጅ ዘለዋ ሞገት ንምዕራፍ 450 ሽሕ ዶላር ክተከፍላ እያ። ትሬሲ ቻፕማን፡ ኒኪ ሚናጅ ገለ ክፋል እቲ ‘‘ቤቢ ካን ኣይ ሆልድ ዩ ቱናይት’’ ዝብል ደርፋ ከምዝተጠቐመትሉ ብምግላጽ ኣብ 2018 ከሲሳታ ነይራ። እቲ ገለ ክፋል ደርፊ ትሬሲ ቻፕማን ወሲዱ ዝተባህለ ‘‘ሶሪ’’ ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ደርፊ ኒኪ ሚናጅ ናብ ሰማዕቲ ኣይበጸሐን፤ ኮይኑ ግና ሞሊቑ ኣብ ሬድዮ ዲጄ ፋንክማስተር ፍሌክስን ማሕበራዊ ሚድያን ብስፍሓት ተሰሚዑ እዩ። ቻፕማን፡ እቲ ደርፊ ንፍሌክስ ኣካፊላቶ ብዝብል ዝኸሰሰታ ኮይና ሚናጅን ፍሌክስን ግን ነቲ ክሲ ነጺጎምዎ። ‘‘ሶሪ’’ ኒኪ ሚናጅ ኲን ዘርእስቱ ራብዓይ ካሴታ ኣብ 2018 ኣብ እትቐድሐሉ እዋን፡ ምስ ራፐር ናስ እዮም ጽሒፎምዎ። ነታ ደርፊ፡ ኣብታ ጀማይካዊ ሼሊ ተንደር ዝሰራሓ መርኣያ ተመርኲሶም እዮም ኣዳልዮምዋ፤ እታ መርኣያ ንገዛእ ርእሳ ኣብታ ብ1988 ሽልማት ግራሚ ዝወሰደት ‘‘ቤቢ ካን ኣይ ሆልድ ዩ ቱናይት’’ እትብል ደርፊ ትሬሲ ቻፕማን ተመርኲሳ ከምእተሰርሐት ግን ኣይፈለጡን፡፡ ኣብተን ደርፊታት ዝነበረ ምምስሳል ምስኣስተባሃልሉ ግን፡ ካብ ቻፕማን ፍቓድ ንምርካብ ተደጋጋሚ ሕቶ ኣቕሪቦም፡ ነጺጋቶም፡፡ ትሬሲ ቻፕማን ኣብ ስራሕታ ፍቓድ ፈፂማ ከይምዘይትህብ እዮም ጠበቓታታ ዝዛረቡ፡፡ ቅድም ክብል ዳይና፡ ኒኪ ሚናጅ ነቲ ደርፊ ብውሱን መልክዑ ጥራሕ ከምዝተጠቐመትሉን እቲ ደርፊ ንጥቕሚ ትሬሲ ቻፕማን ዝጎድእ ብዛዕባ ምዃኑ ዝኾነ መርትዖ ከምዘየለን ወሲና ዝነበረት ኮይና፡ ጠበቓታት ሚናጅ እውን ደረፍቲ ፍቓድ በዓል ዋና እንተረኺቦም መርኣያ(ሳምፕል) ንምስራሕ ክፍቀደሎም ከምዝግባእ ተኸራኺሮም ነይሮም፡፡ ቤት ፍርዲ እቲ ንመርኣያ ዝተሰርሐ ደርፊ ከመይ ኢሉ ክወጽእ ከምዝኸኣለን መሰል ዋንነት ዝጥሕስ ብዛዕባ ምዃኑን እናመርመረ ጸኒሑ እዩ፡፡ ኮይኑ ግና ትሬሲ ቻፕማን ካብ ኒኪ ሚናጅ ዝቐረበላ ካሕሳ ንምቕባል ፍቓደኛ ብምዃና እቲ መስርሕ ፍርዲ ክዕጾ እዩ።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55609385"} {"headline":"ዓለም ዘቆጻጺ ዘሎ ኣፍሪቃዊ ደርፊ 50 ሚልዮን ሰባት ርእዮምዎ","content":"“ጀሩሳሌማ” እትብል ናይ ሓደ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ድምጻዊ ደርፊ ብዓለም ደረጃ ህቡብነት ኣጥርያስ ድሮ ኣብ ዩቱብ 50 ሚልዮን ሰባት ተዓዚቦማ። ደራፋይ ማስተር ከይ-ጂ (Master KG) 50 000 000 ምብጽሓ ዝተሰምዖ ሓጎስን ሓበንን ብምግላጽ፡ ኣብ ትዊተር ኩሉ ሰብ ክሳተፍ ዝጽውዕ ናይ ትዊተር መጸዋዕታ፡ (#Jerusalemachallenge) ዘርጊሑ’ሎ። ድሮ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለዓለማት ነቲ መጸዋዕታ ተቐቢሎም ክቆጻጸዩ ዝጀመሩ ኣለዉ። ማስተር፡ ኣብ ዝገበሮ ዝተፈላለየ ቃለመሕትታት፡ ደርፉ ብሚሊዮናት ኣፍሪቃውያንን ኣብ ካልኦት ክፍላተ-ዓለም ዝርከቡ ሰባትን ተቐባልነት ብምርካባ ከምዘሐጎሶ ክገልጽ ተሰሚዑ’ዩ። እታ ብፍሉይ ሳዕስዒት ዝተሰነየት ደርፊ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ዩ ኣውጽኡዋ። ገለ ካብቶም ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ክቆጻጸዩላ ዝተራእዩ ሰባት ዘርኢ ኣብ ትዊተር ዝተዘርግሐ ቪድዮታት ንምርኣይ፡ ንገለ ነቕርበልኩም።","category":"ኣርት\/ ስነ ጥበብ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53558804"} {"headline":"ጆ ባይደን ካብ ሩስያ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ንዝፍፅሙ ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣጠንቂቑ","content":"ፕረዝደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ሃገሩ ካብ ሩስያ ንዝፍኖ መጥቃዕቲ ሳይበር ንምክልኻል፡ “ኣድላይ ዘበለ ስጉምቲ” ከምትወስድ ኣጠንቂቑ። ከም ሓበሬታ ዋይት ሃውስ፡ ካብ ሩስያ ንዝፍኖ መጥቃዕቲ ሳይበር ንምምካት፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ስጉምቲ ከምዝውሰድ እዩ፡ ፕረዝደንት ባይደን ገሊፁ ዘሎ። እንተኾነ ሩስያ ንክሲ ኣሜሪካ ኣይትቕበሎን። ፕረዝደንት ኣሜሪካን ሩስያን፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ጄኔቫ ምርኻቦም ስዒቡ፡ ትማሊ ዓርቢ ንሓደ ሰዓት ብስልኪ ኣውጊዖም። ኣሜሪካ፡ ካብ ሩስያ ዝብገሱ መጥቃዕትታት ሳይበር ይውስኹ ከምዘለዉ እያ ትገልፅ። ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ን 1500 ትካላት ዘልመሰ መጥቃዕቲ ሳይበር ከምዝተፈፀመ ይዝከር። ነቲ ናይ ስልኪ ዝርርብ ስዒቡ ንመራኸብቲ ሓፋሽ መብርሂ ዝሃበ ጆ ባይደን፡ “ካብ ሩስያ መጥቃዕቲ እንክፍኖ፡ ዋላ’ኳ ብመንግስቲ ሩስያ ዝድገፍ እንተዘይኮነ፡ ካብ ሩስያ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ስለዝኾነ ጥራሕ፡ መንግስቲ ሩስያ ስጉምቲ ክወስድ ንፑቲን ግልፂ ጌረሉ እየ። መረዳእታ ክሳብ ዝሃብናዮ ድማ ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ” ኢሉ። ኣሜሪካ፡ ኣብ ሩስያ ኮይኖም መጥቃዕቲ ሳይበር ንዝፍፅሙ ሰርሰርቲ መጥቃዕቲ ክትፍፅም ድያ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ባይደን፡ “እወ” ዝብል መልሲ ሂቡ። ምምሕዳር ፑቲን ብወገኑ፡ “ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ሳይበር ተፈፂሙኒ ኢላ ንሩስያ ሓበሬታ ሂባ ኣይትፈልጥን” ኢሉ። ድሕሪ እቲ ናይ ስልኪ ዝርርብ ቤት-ፅሕፈት ፕረዝደንት ፑቲን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ “ ሩስያ መጥቃዕቲ ሳይበር ንምክልኻል ድልውቲ እያ። እንተኾነ፡ ኣሜሪካ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ መጥቃዕቲ ሳይበር ዝምልከት ሓበሬታ ኣይለኣኸትልናን” ክብል ገሊጹ። ሓደ ስሙ ዘይተፀርሐ ላዕለዋይ በዓልመዚ ኣሜሪካ ድማ፡ ብዛዕባ መጥቃዕቲ ሳይበር ንሩስያ ተደጋጋሚ ሓበሬታ ከምዝተውሃባ ንኤኤፍፒ ሓቢሩ። ሩስያ፡ ክልቲአን ሃገራት፡ መጥቃዕቲ ሳይበር ንምክልኻል ካብ ፖለቲካ ናፃ ዝኾነ ሞያውን ዘላቕን ርክብ ከምዘድልየን ገሊፃ ኣላ። ኣሜሪካ፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ልዕሊኣ ካብ ሞንጎ ዝተፈፀሙ መጥቃዕትታ ሳይበር እቶም ከበድቲ ካብ ሩስያ ዝተፈነዉ ምዃኖም እያ ትገልፅ። ክፍሊ ድሕንነት ሩስያ ብዛዕባ እቶም መጥቃዕትታት ሓበሬታ ኣለዎ እዩ፡ ኢላ ድማ ትኣምን። ክልቲኦም ፕረዝደንታት ኣብ ዝገበርዎ ናይ ስልኪ ዝርርብ፡ መጥቃዕትታት ሳይበር ንምክልኻል፡ ሓበሬታ ክለዋወጡን ክተሓባበሩን ከምዝተሰማምዑ ጆ ባይደን ገሊፁ። “ፅቡቕ ልዝብ እዩ ተኻይዱ። ተስፋ ሂቡኒ ኣሎ” ኢሉ፡ ፕረዝደንት ጆ ባይደን። ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ክልቲኦም መራሕቲ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝተራኸብሉ ግዘ ካብ ሞንጎ ዘልዓልዎም ነጥብታት እቲ ሓደ፡ መጥቃዕቲ ሳይበር ምክልኻል ዝብል ኔሩ። ሻቡ፡ ጆ ባይደን፡ መጥቃዕቲ ክፍፀሞም ኣይግባእን ዝበሎም 16 ዘፈራት ንፑቲን ምሃቡ ፀብፃባት ይገልፁ። እንተኾነ ድሕሪ እዚ፡ ኣብ ሩስያ ወይ ድማ ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ከምዝርከብ ዝግመት ሰርሳሪ ጉጅለ ‘ሬቭል’፡ ሓያል መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ ይፍለጥ። እዚ መጥቃዕቲ ምስተፈፀመ፡ ጆ ባይደን ኣብ ጉዳይ ድሕነት መጥቃዕቲ ሳይበር ከትኩር ፀቕጢ ኣሕዲርሉ እዩ። ብኻልእ ወገን ድማ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ስልኪ ልዝብ፡ ኣብ ሶርያ ሰብኣዊ ሓገዝ ምቕራብ ኣብ ዝከኣለሉ መገዲ ከምዝተሰማምዑ ዋይት ሃውስ ገሊፁ ኣሎ። እዚ ከኣ፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ወጥሪ ሃዲኡ፡ ንምትሕብባር ድሉዋት ምዃነን ዘመልክት እዩ ተባሂሉ።","category":"ድሕነት ኮምፒተር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57789197"} {"headline":"ንኮቪድ-19 ፈሪሑ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝተሓበአ ሰብ ተረኺቡ","content":"ካብ ኮቪድ-19 ፈሪሑ ኣብቲ ኣዝዩ ጽኑዕ ሓለዋ ዘለዎ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቺካጎ ንሰለስተ ኣዋርሕ ከይተፈለጠ ክንቀሳቀስ ዝጸንሐ ሰብ ከምዝተረኸበ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣመሪካ ገሊጾም። እቲ ወዲ 36 ዓመት ኣዲትያ ሲንግ ዝብሃል ኮይኑ፤ ሓደ ካብ ሰራሕተኛታት እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ተጠራጢሩ ውልቃዊ ሰነዳቱ ምስ ሓተቶ እዩ ተፈሊጡ። በቀዳም ኸኣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ። ኣዲትያ ሲንግ፡ በቲ ሰራሕተኛ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ወረቀቱ ከርኢ ምስ ተሓተተ፡ ሰራሕተኛ እቲ መዓርፊ ነፈርቲ ምዃኑ ዘርኢ መለለዩ ወረቐት ኣርእይዎ፡ እታ መለለይት ወረቐት ግን ናይ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፍን ኣብቲ ትካል ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ከምተጠፈአት ተመልኪታ ዝነበረትን እያ። ፖሊስ፡ ኣዲትያ ሲንግ ካብ ሎስ ኣንጀሎስ 19 ጥቅምቲ ናብቲ ቦታ ከምዝመጽአ እዮም ዝሕብሩ። ኣዲትያ ሲንግ ነታ መለለዩ ወረቀት ናይቲ ሓላፊ ኣብቲ መዓርፊ ነፈርቲ ከምዝረኸባን ብምኽንያት ኮቪድ-19 ናብ ገዝኡ ከይከይድ ፈሪሑ ኣብቲ መዓርፊ ነፈርቲ ክዕቆብ ከምዝመረጸ ነቶም ዝሓተትዎ ሓለፍቲ ከምዝገለጸሎም ኣብ ቺካጎ ትሪቡን ሰፊሩ ኣሎ።፥ ፈራዶን ኣኽበርቲ ሕግን በቲ ክስተት ኣዝዮም ከምዝተገረሙን፡ እሞ ድማ ኣብ ከም ቺካጎ ዝኣመሰለ ጽኑዕ ሓለዋ ዘለዎ መዓርፎ ነፈርቲ ንሰለስተ ኣዋርሕ ከይተፈለጠ ምጽንሑ ከምዝተደነቁን ገሊጾም። ኣዲትያ ሲንግ ካብ 19 ጥቅምቲ 2020 ክሳብ 16 ጥሪ 2021 እዩ ኣብቲ መዓርፊ ነፈርቲ ክነብር ጸኒሑ። ኣዲትያ ሲንግ ነባርነቱ ኣብ ሎስ ኣንጆለስ ኮይኑ ንምንታይ ዕላማ ናብ ቺካጎ ከምዝምጽአ ገና ኣብ ምጽራይ እዩ ዘሎ። ንኣዲትያ ሲንግ ኣብ ሓደ ጽኑዕ ሓለዋ ዘለዎ ስፍራ ብዘይ ፍዋድ ክነብር ጸኒሑን ንኡስ ስርቂ ፈጺሙን ዝብል ክሲ ቀሪብሉ ኣሎ፡ ንግዚኡ ኸኣ ናብቲ መዓርፊ ነፈርቲ ከይኣቱ ተኸልኪሉ ኣሎ፡ ነዚ እገዳ እዚ ጥሒሱ ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ ዝኣቱ ኸኣ 1000 ዶላር ክቅጻዕ ግዝያዊ ፍርዲ ተዋሂብዎ ኣሎ። ዳኛ ኦርቲዝ \"መዓርፎ ነፈርቲ ንድሕነት ተጠቀምቱ ክብል ጽኑዕ ሓለዋ ክህልዎ ትጽቢት ይግበረሉ እንተኾነ ኣዲትያ ሲንግ ነቲ ኣብቲ መዓርፊ ዘሕለፎ መዓልታት ኣብ ግምት ብምእታው ንሕብረተሰብ ዝጓዳእ ሰብ ከምዘይኮነ ኢና ክንርዳእ ክኢልና\" ኢላ። ምምሕዳር እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ብወገኖም፡ ኩነታት ኣዲትያ ሲንግ ኣብ ምጽራይ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ኣዲትያ ሲንግ ኣብቲ መዓርፊ ነፈርቲ ኣብ ዝነበረሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ሕሉፍ ኣሳእልን ሰነዳትን ብምፍታሽ ዝኾነ ዘብጽሖ ጸጥታዊ ጸጋማት ከምዘይነበረ ገሊጾም።","category":"ድሕነት ኮምፒተር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55715216"} {"headline":"ኣብ ሊባኖስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ብመኪና ካብ ዝሃደሙ እሱራት ምስ ገረብ ተጋጭዮም ሞይቶም","content":"ኣብ ሊባኖስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝሃደሙ ብዙሓት እሱራት፡ ሽዱሽተ እሱራት ንመህደሚ ዝተጠቀሙላ መኪና ምስ ገረብ ብምግጫዋ እቶም ሓሙሽተ ሞይቶም። እቶም ካብ ጥቓ ከተማ በይሩት ዝርከብ ዓቢ ቤት ማእሰርቲ መዓጹ ሸላ ሰይሮም ዝሃደሙ እሱራት ብዝሖም 69 እዩ። ካብቶም ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝሃደሙ 69 እሱራት እቶም 15 ከምዝተተሓዙ እቲ ሓደ ኣዲኡ ባዕላ ናብ ፖሊስ ዘረከበቶ ከምዝኾነ መንግስታዊት ማዕከን ዜና ኤንኤንኤ ኣቃሊሓ። ኣካላት ጸጥታ እታ ሃገር ኣብ ብዙሕ ዝተጠርጠረ ከባቢታት ጽዑቕ ተፍተሽ የካይዱ ከምዘለዉን ንኹሎም ነበርቲ እቲ ዝተጠርጠረ ቦታታት ከባቢኦም ብንቕሓት ክከታተሉ ከምዝተነገሮም እታ መንግስታዊት ማዕከን ዜና ሓቢራ። እቲ ሓደጋ፡ ካብቶም 69 ዝሃደሙ እሱራት፡ እቶም ሽዱሽተ እሱራት ንሓንቲ ማኪና ካብ ዋንኣ ብሓይሊ ኣሕዲጎም ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ ኣብ ባብዳ ዝብሃል ክፋል ከተማ በይሩት ምስ በጽሑ ብሓያል ናህሪ ምስ ገረብ ብምግጫዎም’ዮም እቶም ሓሙሽተ ሽዑ ንሽዑ ሞይቶም። መንግስታዊት ማዕከን ዜና ኤንኤንኤ “ዳሽያ ዝዓይነታ ጻዕዳ መኪና ምስ ዓቢ ገረብ ተጋጭያ ዓቢ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ፡ እቶም ኣብታ መኪና ዝነበሩ ካብቶም ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝሃደሙን ምኳኖምን እታ መኪና ካብ ዋንኣ ብሓይሊ ከምዝወሰዱዋን ክፍለጥ ተኻኢሉ” ኢላ። ካብቶም ኣብታ መኪና ተሳፊሮም ዝነበሩ እቶም ሓሙሽተ ክመቱ እንከለዉ እቲ ሓደ ካብ ሞት ክድሕን ከምዝኸኣለ እታ መንግስታዊት ማዕከን ዜና ገሊጻ። ሰብ መዚ ሊባኖም እቲ ህድማ ብኸመይ ከጋጥም ከምዝኸኣለ ንኽጻረ መርመራ ጀሚሮም ኣለዉ። ሓንቲ ዓቓቢት ሕጊ፡ ኣብ መንጎ እቶም እሱራትን ሓለውቶምን ዝኾነ ጎንጺ ከምዘይነበረ ከተረጋግጽ ከምዘይከኣለት ተዛሪባ።","category":"ድሕነት ኮምፒተር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55034354"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ \"ሓበሬታ ብዝኾነ መላኺ ክዕፈን ዘይግበኦ ስንቅን ዕጥቅን እዩ\"","content":"ሓበሬታ ከም ዕጥቂ ሓይሊ እዩ፤ ከም ስንቂ መግቢ እዩ፤ ከም ጸሓይ ኣብ መዓልቲ፡ ከም ወርሒ ኣብ ለይቲ ብርሃን እዩ። ሓበሬታ ሰራውር ደም እዩ። ሓበሬታ ትንፋስ እዩ። ሓበሬታ ንዓወትን ውድቀትን፡ ንሞትን ሕየትን ዝውስን ሓይሊ ምዃኑ ብዝተፈላለየ ሊቃውንትን ሞያውያንን ዝተጻሕፉ ሰነዳት ይዛረቡ። ንሓደ ሓበሬታ ዘለዎን ዘይብሉን ህዝቢ ብኣብነት ኣወዳድር እንተትበሃል እንታይ ምበልካ ተባሂሉ ዝተሓተተ መንእሰይ ሰመረ፡ \"ኣብ ብርሃንን ጸላምን ከም ዝነብር ህዝቢ ገይረ ምገለጽኩዎ\" ክብል መሊሱ። ንህላዌ ሓበሬታ ከም ብርሃን ንስእነት ሓበሬታ ከኣ ከም ጻላም ብምግላጽ። ጥቕምን ኣገዳስነትን ሓበሬታ ካብ ጥንቲ እዩ ዝጅምር። ስለዝኾነ ከኣ'ዩ ሕብረተሰብ፡ ካብን ናብን ክንቀሳቐስ ከሎ ኣብ ጉዕዞ ከጋጥሞ ንዝኽእል ነገር ንምፍላጥን ቅድመ ምድላዋት ንምክያድን፡\" ሚ-ሬኤካ! ዓዲ ደሓን'ዶ ዝመጻእካዮ መገዲ እንታይ ይመስል ዝበሃሃል። \" ሚ-ሬኤካ?\" ኣብ ሕብረተሰብ ሰበኽ ሳግም ትግረ እትዝከር ዘረባ እያ። እዛ ካብ ጥንቲ ብኩናትን ውግእን ቅርጽን መልክዕን እናሓዘት ዝመጽአት ዓለምና፡ ንዓወትን ስዕረትን ሓደ ውግእ ዝጸሉ ከም ምጽናዕ ስነ-አእምሮ ሰራዊት መቐናቕንቲ፡ ዕጥቅን ኣሰላልፋን፡ ሓይልን ድኹም ጎድኑን ዝኣመሰሉ ረቛሒታት ንምጽናዕ ሓበሬታ ኣዝዩ ኣገዳሲ ብምዃኑ፡ ወተሃደራዊ ትካላት ሃገራት ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ኣብ ምምሃዝን ምምዕባልን ዓቢ ተራ ከምዝተጻወቱ ንኣገዳስነት ሓበሬታ ብዝተፈላለየ መልክዑ ዝድህስሱ መጻሕፍቲ የረድኡ። ሓበሬታ ግን ኣብ ኩናትን ውግእን ጥራሕ ኣይኮነን ዘድሊ። ኣብ ንግድን ኢንዱስትርን፤ ኣብ ሕርሻን ምምዝማዝ ሃብቲ ባሕርን፤ ኣብ ትሕቲ ባሕርን ምድርን ዝርከብ ማዕድናት፤ ኣብ ጥዕናን ምርምርን ብሓጺሩ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ኣገዳሲ እዩ። እዚ ንዓለምና ኣጨናኒቑዋ ዘሎ ኮቪድ-19 እውን ብሓበሬታ እዩ ዝግጠም ዘሎ። እቲ ሓደገኛ ቫይረስ ብኸመይ ኣገባብ ይመሓላለፍ፡ ብኸመይ'ከ ክንከላኸሎ ይከኣል ዝብል ሓበሬታ፡ ዛጊት እቱ ዝዓበየ መከላኸሊ ኮይኑ ኣሎ። ስለዝኾነ ከኣ እዩ ሓፈሻዊ ጉባኤ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣገዳስነት ሓበሬታ ንምዕዛዝ ን28 መስከረም ከም ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ምምሕልላፍ ሓበሬታ ክትክበር ወሲኑ። ኣብዚ ፈታኒ ናይ ኮቪድ እዋን እውን እንተኾነ፡ እቲ ኩነታት ብዘፍቅዶ መገዲ ትበዓል ዘላ። ኣብዛ ዕለት ኣባል መንግስታትን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሲቪላዊ ትካላት ማሕበረሰባትን፡ ሕብረተሰብ ንህይወቱን መጻኢኡን ዘገድሶ ኩሉ ዓይነት ሓበሬታ ክረክብ መሰል ስለዘለዎ ዝምልከቶም ኣካላት ግቡኦም ክገብሩ መዘኻኸሪ ይቐርብ። \"ሓበሬታ ማለት፡ ንማንም ሰብ፡ ብውልቂ ኮነ ብእኩብ፡ ከም ጉጅለን ህዝብን ህይወቱ ከውሕስ፡ ረብሕኡ ክዕቅብ፡ ሓይሊ ክድልብ፤ ጸገማቱ ከወግድ ዝሕግዝ ዕጥቅን ስንቅን'ዩ ተባሂሉ ክትርጎም ይኽእል'ዩ\" ይብል ኤፍረም ማንም ወዲ ሰብ ኣብዛ ዓለም ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰሉ ክኽበር ከምዝግበኦ ብምዝኽኻር። ይኹን እምበር ኣብዚ ዓለምና ብቴክኖሎጂ ሓበሬታ ናብ ቁሸት ተቐይራትሉ ዘላ እዋን ንህዝቦም ሓበሬታ ዝነፍጉን ዝግድቡን ሓደ ሓደ ስርዓታት ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ወቐሳ የጋጥሞም እዩ። ፖለቲካዊ ወጥሪ፣ ዘይምርግጋእ፣ ስግኣት ጎንጽን ግጭትን ኣብ ዘለዎ ሃገር ሓበሬታ ካብን ናብን ብግቡእ ክመሓላለፍ ኣይከእልን እዩ። ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ህዝባዊ ናዕቢ ምስ ዝኽሰት ሓደ ሓደ ስርዓታት ሳልሳይ ዓለም ተቐዳዲሞም ኣገልግሎት ኢንተርነት እዮም ዝዓጽውዎ። ገሊኦም እሞ ከኣ ካብ ፈለምኡ እውን ፈጺሞም ዘይፈቕድዎ፡ ወይ ከኣ ኣሎና ንምባል ሓይሊ እቲ ዝርገሐ ቀኒሶም ጨቐቕ ብዝብል መርበብ ድምጺ ህዝቢ ዝዕፍኑ ኣለው። እቲ ከምኡ ዓይነት ተግባር ነቶም ሰብኣዊ ረድኤትን መደባት ምዕባለን ዘሰላስሉ ከም ዩኤንዲፒን ዩኒሴፍን ዝኣመሰሉ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካላት ስርሖም ብግቡእ ንኸየከናውኑ ዕንቅፋት ከምዝኾኖም ሰነዳቶም የረጋግጹ። እንተኾነ ሓበሬታ ዕጥቅን ስንቅን ስለዝኾነ ዕጥቅን ስንቅን ዘለዎ ሕብረተሰብ ከኣ ብምልኪ ንዘመሓድሩዎ ስርዓታት ምሕዩ፡ ብድምጹ ዝሳተፎ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ክተክል ስለዝብገስ መንግስታት ይፈርሑ እዮም። እኹል ስርዓተ መመሓላለፍን ቅኑዕ ሓበሬታን ዘለዎ ህዝቢ እንታይ ክገብር ከምዝኽእል እቲ ብ2011 ዝተኻየደ ሰውራ ቐውዒ ማእከላይ ምብራቕ ኣረጋጊጹ እዩ። ብደረጃ ዓለም ክረአ እንከሎ ከኣ ገሊኦም ስርዓታት ንፖለቲካዊ ረብሕኦም ክብሉ ንኹሉ ናይ ሓበሬታ መሳርሕን መትረብን ዓፊኖም ንህዝቢ እተን ንሳቶም ክብልዎ ዝደልዩ ናይ ፕሮፖጋንዳ መልእኽቲ ብምሃብ ጥራሕ የጽምእዎ። ብምልኪ ዘመሓድሩ ብዙሓት ስርዓታት \"ጠለብ ደሞክራሲ ኩሉ ሳዕ መወዳእታ ስለዘይብሉ፡ ንህዝቢ ከየጥመኻን ከየጽገብካን፡ ወትሩ ብዕለታዊ ጉዳዩን መነባብሮኡን ከምዝሓስብ ጌርካ ሓዞ\" ብዝብል ኣተሓሳስባ እዮም ዝገዝኡ ይብል ዳዊት። ምኽንያቱ፡ ሰባት ኣብ ክንዲ ብምምሕዳራዊ ጉዳያት ዝዛረቡን ዝዝትዩን፡ \"ዘይትን ላምባን ኣበይ ይርከብ ኣሎ? ጋዝን ነዳድን መጺኡ'ዶ? እኽልን ሽኮርን ከቢሩ'ዶ ሓሲሩ? መብራህትን ማይን መጽአ ከደ\" ክብሉ፡ ንኽነብሩ፡ ደቆም ንኸድርሩ ኣብ ዕለታዊ ነገራት ከምዝሕጸሩ የረድእ። እቲ ዘሕዝን ግን እተን ዝማዕበላ ሃገራት ንዋሕዚ ሓበሬታ ብዘለዓለ ኣገባብ ክጥቀማሉ እንከለዋ እተን ድሕሪት ተሪፈን ዘለዋ \"ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት\" እናተባህላ ካብ ዝግለጻ ብዙሓት ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ንዜጋታተን ዋሕዚ ሓበሬታ ዓጊተን ዓፊነን ክሕዘኦ እንከለዋ እየን ይብል ኤፍረም። ንኤርትራ ሓዊስካ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝመሳሰልን ዝንእስን ጸገማት ከምዘሎ፡ ስርዓታት ብጉልባብ \"ሃገራዊ ድሕነት\" ሓበሬታ ይዕፍኑን ጹኑዕ ሳንሱር ይገብሩን ከምዘለው ድማ የረድእ። ሓበሬታ ንሓደ ዕጹው ገዛ መፍትሕ ጌርካ ከም ምኽፋት ብምምሳል ዝገልጾ ሰመረ፡ \"ንዝኾነ ናይ ህይወት ጉዕዞ ብሓበሬታ ኢኻ ትኸዶ። ከምቲ ካፕተይን መርከብ ብዘይ ኮምፓስ ክመርሕ ዘይክእል ፓይለት እውን ብዘይ ፕሮትራክተር ኣብ መዓልቦኡ ክበጽሕ ኣይክእልን እዩ። ስለዝኾነ ከኣ እዩ ሓበሬታ ብሰራውር ደም እውን ክምሰል ዝኽእል\" ክብል ይዛረብ። ሓበሬታ ምርካብ ጥራሕ እውን እኹል ኣይኮነን። ሓበሬታ ምስኣን ምስ ዑረትን ጸልማትን ስለዝዛመድ ዘዛርብ ኣይኮነን። ግን ሓበሬታ በቲ እትደልዮ ፍጥነት እንተዘይረኺብካዮ እውን ዘይከገልግል ይኽእል እዩ። ብፍላይ ኣብዚ ዘበነ ኮቪድ-19 ነብሲ ወከፍ ለበዳ ንምግታእ ዝሕግዝ ሓበሬታ ኣብ ሰዓቱ እንተዘይበጺሑ ህይወት ስለዘዕዲ ሓበሬታ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ብዘይ ሓበሬታ ኣብ ጸላም ደርበስበስ ከም ዝብል ዓይነ-ስውር ስለእትኸውን፡ ኣብ ቅድሜኻ እንታይ ኣሎ ንክትፈልጥን ናበይ ከም እትጓዓዝ ክትውስንን ብርሃን ኣገዳሲ እዩ። ብርሃን ከኣ ሓበሬታ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ እያ እዛ መዓልቲ ምርካብ ሓበሬታ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ክወሃባ ተገይሩ። እዛ ለብዘበን እትበዓል ዘላ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ከኣ፡ ሕብረተሰብ ኣብ ግዜ ጸገም እኹልን ቅልጡፍን ሓበሬታ ክረክብ መሰል ኣለዎ ንዝብል ቴማ እያ ተጉልሕ። እኹል ሓበሬታ ምህላው ኣብ ሕብረተሰብን ስርዓታትን ዝምድናን ምትእምማንን ይሃንጽ። ብፍላይ ኣብዚ ተኣፋፊ ናይ ኮቪድ-19 እዋን ከኣ ሓበሬታ ነቲ ለበዳ ንምስዓር ዘገድስ ወሳኒ ዕጥቂ እዩ። እዚ ዕለት፡ ኩሎም መሻርኽቲ ንመሰል ምርካብ ሓበሬታ ኣብ ዝምልከት ዓለም ለኻዊ ምምይያጣት ክሳተፉ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ንፖሊሲታት ዝምልከት ርእይቶን ሓበሬታን ምኽርን ክልግሱ ዕድል ይኸፍት። እቲ ንኹሉ ክፉት ዝኾነ ፕሮግራም ኣብ ስነ-ፍልጠትን፡ ብዙሕነት ቋንቋን፡ ንስንኩላን ምሕቋፍ፡ ኣግልሎ ምውጋድ ዝኣመሰለ ብሚድያ ብኣኼባታትን ዝወሃብ ትምህርታዊ ሓበሬታ ብምሕያል እቲ መደባት ንክምዕብል እወታዊ ኣበርክቶ ክፈጥሩ ዕደል ይህብ።","category":"ድሕነት ኮምፒተር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/54336504"} {"headline":"ጄቢኤስ፡ ናይ ዓለምና ዝዓበየ ትካል ኣቕራቢ ስጋ ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ ኣጋጢምዎ","content":"ጄቢኤስ ዝተባህለ ናይ ዓለምና ዝዓበየ ኩባንያ መመስርሒ ስጋ ዝተሓላለኸ ናይ ሳይበር-መጥቃዕቲ ኣጋጢምዎ። ብምኽንያት እቲ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትካል ጄቢኤስ ዝርከባ ኮምፕዩተራት ዝበጽሐ መጥቃዕቲ፡ ናብ ኣውስትራልያ፣ ካናዳን ኣመሪካን ዝግበር ሰደድ ንግዚኡ ክቋረጽ እንከሎ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ካብ ስርሖም ክቦኽሩ ተገዲዶም ኣለው። እቲ ናይ መበጆ ገንዘብ ዝጠልብ መጥቃዕቲ ኣብ ሩስያ ብዝርከብ ጉጅለ ገበነኛታት ዝተፈጸመ ክኸውን ከም ዝኽእል ንሓበሬታ እቲ ኩባንያ ብምጥቃስ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣመሪካ ሓቢሩ። ብምኽንያት እቲ መጥቃዕቲ ሕጽረት ቀረብ ስጋ ከጋጥም ወይ'ውንዋጋታት ክውስኽ ከም ዝኽእል ይግለጽ። ናይ መበጆ ገንዘብ ዝጠልቡ መጥቃዕትታት ሳይበር፡ ሰርሰርቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ናብ ዝርከቡ መርበብ ኮምፕዩተራት ብምእታው፡ ገንዘብ እንተዘይተኸፊሎም፡ ሰነዳት ክድምስሱን ካልእ ሽግራት ክፈጥሩን ምዃኖም የፈራርሑ። ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኤፍቢኣይ ነቲ ጉዳይ የጻርዮ ከም ዘሎ ሓቢሩ። ኣፈኛ ዋይት ሃውስ ካሪን ጂን ፕየር ብሰሉስ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ \"ጄቢኤስ፡ መደበሩ ኣብ ሩስያ ክኸውን ብዝኽእል ትካል ገበን ናይ መበጆ ክፍሊት ከም ዝተሓተተ ኣፍሊጡ ኣሎ\" ኢላ። ንሳ ወሲኻ \"ዋይት ሃውስ ኣብቲ ጉዳይ ብቐጥታ ምስ መንግስቲ ሩስያ ይሰርሕ ኣሎ፤ ሃገራት ንገበነኛታት ከዕቑባ ኣይግባእን\" ኢላ። ጄቢኤስ ነቲ መጥቃዕቲ-ሳይበር ኣብ ምፍታሕ ጽቡቕ ምዕባለታት ከም እተመዝገበን፡ ዝበዝሕ ክፍልታት እቲ ትካል ሎሚ ናብ ስራሕ ከምለስ ተስፋ ከም ዘለዎን ገሊጹ። እቲ መጥቃዕቲ ምስ ኣጋጠመ ኩሎም በቲ መጥቃዕቲ ዝተተንከፉ ስርዓተ ኮምፕዩተራት ብቕልጡፍ ደው ከም ዘበለን እቶም ናይ መተካእታ 'ሰርቨራት' ከም ዘይተሰርሰሩን ሓቢሩ።","category":"ድሕነት ኮምፒተር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57326654"} {"headline":"ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ወተሃደራት ነበር ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ንኽዋግኡ መንግስቲ ጻውዒት ኣቕሪብሎም","content":"ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ወተሃደራት እታ ሃገር ነበር፡ ገስጋስ ሓይልታት ትግራይ ንምግታእ ኣብ ዝግበር ኵናት ንኽዋግኡ ጸዊዑ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ጻዊዒት ዘቕረበ ሓይልታት ትግራይ ናብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይግስግሱ ስለዘለዉ’ዩ ተባሂሉ። \\ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ጸጥታዊ ኩነታት እታ ሃገር ይጋደድ ስለዘሎ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኩሎም ዜጋታት ኣመሪካ ብቕልጡፍ ካብታ ሃገር ንኽወጽኡ ኣጠንቂቑ’ሎ። ትማሊ ዓርቢ ከኣ 9 ናይ ፖለቲካ ጉጅለታት ኣንጻር ምምሕዳር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ሓደ ግንባር ንክቃለሱ ኣብ ዋሽንግተን ክታሞም ኣንቢሮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን እቲ ኵናት ከምዝቕጽል’ዩ ዝገልጽ ዘሎ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት፡ ኣብተን ዓውዲ ናይ ኵናት ኮይነን ዘለዋ ክልላት ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራን ብሓፈሻ ልዕሊ ሸውዓት ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዛት ኮይኖም ከምዘለዉን ካብኦም እቶም ሓሙሽተ ሚልዮን ካብ ክልል ትግራይ እዮም። ብዘይካ እዚ ኣብ ክልል ትግራይ 400 ሽሕ ከቢድ ሓደጋ ዓጸቦ ኣንጸላልይዎም ከምዘሎ ጸብጻባት ትካላት ውሃብቲ ረድኤት ይሕብሩ። ኣብዚ ሰሙን ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣዋጅ ህጹጽ ሓደጋ ብምእዋጅ ዜጋታት ኣብ ኢዶም ዝርከብ መሳርሒ ኵናት ኣብ ቀረብኦም ናብ ዝርከብ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት ኣመዝጊቦም ከባቢኦም ክሕልዉ ከምዘለዎም ኣጠንቂቖም። ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብግዲኡ እቲ ኵናት ደው ክብልን ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ንዝግበር ናይ ምሽምጋል ስራሕቲ ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ። ሃገራት ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን እቲ ኵናት ኣብቂዑ ኣብቲ ኵናት ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ሰላም ከውርዱ ከምዘለዎም ተደጋጋሚ ጻዊዒት ኣቕሪቦም። ኣብቲ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዋሽንግቶን ዝተመስረተ ሓድሽ ግንባር ህወሓትን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ይርከብዎ። ኣብቲ መድረኽ ንትግራይ ወኪሉ ዝቐረበን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣመሪካ ነበር ብርሃነ ገብረክርስቶስ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ግንባር ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ እንተስ ብስምምዕ እንተስ ብሓይሊ ኣሊኻ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ምጥያሽ ከምዝኾነ ገሊጹ። “እቲ ብመሪሕነት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ሕማቕ ኩነታት ንኸብቅዕ ኢና ጻዕሪ ንገብር ዘለና” ዝበለ ኣምባሳደር ብርሃነ ገብረክርስቶስ “ግዜ የብሉን ይኸዶ’ሎ” ኢሉ። ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ኣብዚ ሰሙን ብሓባር ኮይኖም ብዘካየድዎ ኵናት ካብ ኣዲስ ኣበባ 325 ኪሎ ሜተር ሪሒቓ ንእትርከብ ከተማ ከምሴ ከምዝተቖጻጸሩ ምግላጾም ዝዝከር እዩ።","category":"ድሕነት ኮምፒተር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59188681"} {"headline":"ጉሕለት ኣልኣዛር፡ ሓደ ቢልዮን ዶላር ካብ ባንኪ ንምስራቕ ዝወጽአ መደብ","content":"ብ2016፡ ሰሜን ኮርያውያን ሰርሰርቲ ካብ ሃገራዊ ባንኪ ባንግላድሽ ሓደ ቢልዮን ዶላር ክሰርቁ መደብ ኣውጺኦም። እዚ ኹሉ ገንዘብ ግሒጦም ከውጽኡ ኣብ ጫፍ ዓወት ምስ በጽሑ ግን፡ ንስለ ካብቲ ዝወሰዱዎ 81 ሚልዮን ዶላር ተዓጊቱ። ንምዃኑ እታ ኣብ ዓለም ዝደኸየትን ዝተነጸለትን ሃገር ብኸመይ ዝተራቐቐ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ገበነኛታት ክህልውዋ ክኢሎም? እዚ ኹሉ ካብ ኢንዳስትሪ ማሕተም [ፕሪንተር] እዩ ዝጅምር፤ ኣካል እቲ ሕጂ እንነብሮ ዘመናዊ ህይወት እንድዩ። ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሃገራዊ ባንኪ ባንግላድሽ ዝሰርሑ ሰራሕኛታት እቲ ፕሪንተር ምስራሕ ምስ ኣበዮም ከምቲ ኣብ ዝኾነ እዋን ኩላትና ምስራሕ ዝኣብየና ድኣ መሰሎም እምበር ፈጺሙ ዝተሓላለኸ ሽግር ከምጽኣልናዩ'ዩ ኢሎም ኣይሓሰቡን። ብዓብይኡ እቲ ሕጂ እንተኩረሉ ጉዳይ ናይ ፕሪንተር ዘይኮነ ናይ ባንኪ'ዩ። ባንኪ ባንግላድሽ፡ ክቡራት መተዓዳደጊ ገንዘብ ክዕቅብ ሓላፍነት ዝተዋህቦ ሃገራዊ ባንኪ እታ ብዙሓት ድኻታት ዝነብሩላ ሃገር እዩ። ኣብዚ ፕሪንተር ዓብዪ ተራ እዩ ዝጻወት። ዋና ቤት ጽሕፈት እቲ ሃገራዊ ባንኪ ኣብ ከተማ ዳካር ኣብ ዘሎ 10ይ ደርቢ ህንጻ ይርከብ፤ ኣብ ውሽጢ ጽኑዕ ሓለዋ ዝግበረሎ ጸግዒ ድማ ፕሪንተር ኣሎ። ናብቲ ባንኪ ዝወጽኡን ዝኣትውን ምልውዋጣት ብርክት ዝበሉ ሚልዮናትን ዶላራት ምሕታም ከኣ ቀንዲ ስራሕ እዚ ፕሪንተር እዩ። ዓርቢ ንጉሆ ሰዓት 02፡45 ዕለት 5 ለካቲት 2016 ግን ሓደ ሰራሕተኛ እዚ ፕሪንተር ከም ዘይሰርሕ ምህላው ይርኢ። \"ከምቲ ኣብ ካልእ መዓልቲ ዝገጥመና ዝተለመደ ጸገም'ዩ መሲሉና፤ ቅድሚኡ ቁሩብ ዘጋጠመ ጸገማት ነይሩዎ'ዩ\" ክብል ምኽትል ሓላፊ እቲ ባንኪ ዙባር ቢን ሁንዳ ንፖሊስ ተዛሪቡ። እዚ ሃገራዊ ባንኪ ባንግላድሽ ኣብ ሓያል ፈተና ምውዳቑ ዘርኢ ምልክት ነይሩ። ሰርሰርቲ ናብ ኔትዎርክ ኮምፒዩተር እቲ ባንኪ ሰይሮም ብምእታው ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ፈጺሞም። ዕላምኦም፡ ቢልዮን ዶላር ምስራቕ'ዩ። ብድሕሪ'ዚ ዘሎ ዓብዪ ጉጅለ ልኡኽ ሰረቕቲ ነዚ ገንዘብ ንምጉሓል ብርክት ዝበሉ ናይ ሓሶት ሒሳባት ባንኪ፣ ሰብኣዊ ሓገዛት፣ ጠላዕን ካልኦት ሰፋሕቲ መርበባትን ክጥቀም'ዩ እዮም። እዞም ሰርሰርቲ ግን መን'ዮም? ካበይ ዝመጽኡ እዮም? መርመርቲ እቲ ኣብ ሓደ ገጽ ዝተረኸበ ዲጂታላዊ ኣሰር ኣጻብዕቲ ናይ መንግስቲ ሰሜን ኮርያ'ዩ ኢሎም። *ሓበሬታ፡ እዚ ዛንታ 'ጉሕለት ላዛረስ' ብዝብል ቢቢሲ ወርልድ ሰርቪስ ብ10 ተኸታተልቲ ክፋላት ናይ ዘኼዶ ምድላው ፖድካስት'ዩ። እዚ ዛንታ ፍልጠት እትዕድግሉ ሓበሬታ ስለ ዝኾነ ብኽልተ ክፋል ኢና ከነቕርበልኩም። ንቐጽል! ኣብ ሳይበራዊ ገበን ሰሜን ኮርያ ቀዳመይቲ ተጠርጣሪት ሃገር'ያ። ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ድኻታት ሃገራት ሓንቲ'ያ። ብሰፊሑ ከኣ ካብ ቴክኖሎጂካዊ፣ ቑጠባውን ካልኦት ዓለማዊ ርክባትን ዝተነጸለት ዕጽውቲ ሃገር ምዃና'ውን ይፍለጥ። በዚ ክትግረሙ የብልኩምን። ኤፍቢኣይ እቲ ኣብ ልዕሊ ባንኪ ባንግላድሽ ዝተፈጸመ መጥቃዕትን ስርቅን ውጽኢት ንዓመታት ዝተገብረ ምድላው ጉጅለ ሰርሰርትን ኣብ ኤሽያ ዝርከቡ ደለልትን ኮይኑ ብስርዓት ሰሜን ኮርያ ዝምወሉ'ዮም ኢሉ ነይሩ። ኣብ ኢንዳስትሪ ድሕነት ሳይበር፡ ሰሜን ኮርያውያን ሰርሰርቲ 'ጉጅለ ኣልኣዛር' ተባሂሎም'ዮም ዝፍለጡ። እዚ ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተወስደ ካብ ሞት ዝተንስአ ኣልኣዛር እዩ። ብዛዕባ እዚ ጉጅለ ብዙሕ ዝፍለጥ ነገር የለን። ኤፍቢኣይ ምስ'ዚ ብዝተኣሳሰር ብዛዕባ ሓደ ፓርክ ጂን-ዮክ (Park Jin-hyok) ዝተባህለ ጥርጡር ዝርዝር ሓበሬታ እንተኣውጽአ'ውን ብዙሕ ዝፍለጥ የለን። እዚ ውልቀሰብ፡ ፓርክ ጂን-ሄክን ፓርክ ክዋንግ-ጂንን ብዝብሉ ኣሽማት እዩ ዝንቀሳቐስ። ኮምፒዩተር ፕሮግራመር ከም ዝኾነን ካብ ሓደ ላዕለዎት ዩኒቨርሲታት እታ ሃገር ተመሪቑ ንሓደ ኩባንያ ሰሜን ኮርያ ዝሰርሕን ምዃኑ ዝገልጽ ድሕረ ባይታ ኣለዎ። ብተወሳኺ ኣብ ወደባዊት ከተማ ቻይና ዳሊን (Dalian)፡ ግዝኣት ጃፓን ኣብ ኮርያ ንምዝካር ዝዳለው ዓመታዊ መድረኻት ብምድላው፣ ናይ ኦንላይን ጌም ብምፍጣርን ኣብ ዓለም ንዘለው ዓማዊል ጠላዕ ፕሮግራማት ብምድላውን ይፍለጥ። ኣብ ዳሊን ሓደ ኢሜይል ኣድራሻ ኣዳልዩ፣ ናይ ትምህርትን ስራሕ ተሞኩሮን ታሪኹ ኣዳልዩ ርክባቱ ዝሃንጸሎም መርበባት ንምፍጣር ማሕባራዊ ሚዲያ ይጥቀም። ኣብ ዳሊን ዘሎ ኣሰር ኣጻብዕቲ እዚ ውልቀሰብ ካብ 2002 ዝጅምር ኮይኑ፡ ውጽእ እትው እናበለ ክሳብ 2013\/2014 ኣብታ ወደባዊት ከተማ ከም ዝጸንሐ የመልክቱ። እዚ ኹሉ ክገብር ግን፡ እቲ ናይ ኢንተርነት ኣድራሽኡ ካብ ርእሰ ከተማ ሰሜን ኮርያ ፒዮንግያንግ ምዃኑ'ዩ ዘርኢ ክብል መርመራ ኤፍቢኣይ ገሊጹ። እቲ ኤጀንሲ፡ ብ2011 ብኣካያዲ ስራሕ ኤክስፖ ኮሱን ዝተላእኸ ኢሜይል ዝረኸቦ ስእሊ ኣውጺኡ'ዩ። እዚ ስእሊ ኣብ መወዳእታ 20ታት ወይ መጀመርታ 30ታት ናይ ዘሎ ሰሜን ኮርያዊ መንእሰይ ዘርኢ ስለ ዝኾነ፡ ስቕ ኢልካ ርኢኻ ዝተፈለየ ነገር ከተውጽኣሉ ኣይትኽእልን። ኤፍቢኣይ ግን እዚ ውልቀሰብ ቀትሪ ፕሮግራመር ኮይኑ ክሰርሕ ውዒሉ፡ ለይቲ ለይቲ ናብ ሰርሳሪ'ዩ ዝቕየር ይብል። ብሰነ 2018 ሰብ መዚ ኣመሪካ ፓርክ ካብ ወርሒ መስከረም 2014 ክሳብ ነሓሰ 2017 ዓ.ም ብኮምፒዩተር ዝፍጸም ምትላልን ግህሰትን ንምፍጻም ውዲት ፈጺሙ፤ ኣብ ካልእ እውን ኢሜይልን ኮምዩኒኬሽን ኤሌክትሮኒክስን ዘጠቓልል መጥቃዕቲ ንክፍጸም ውዲት ፈጺሙ ኢሎም ከሲሶምዎ። በዚ ኣብ ቀይዲ እንተኣትዩ ን20 ዓመት ክእሰር ክፍረዶ'ዩ። ይኹን'ምበር እቲ ክሲ ቅድሚ ምምስራቶም ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ካብ ቻይና ናብ ሰሜን ኮርያ ተመሊሱ። እዚ ፓርክ ዝተባህለ ጥርጡር [ትኽክለኛ ሽሙ እንተኾይኑ] ኣብ ሓደ ለይቲ ኣብ ግኑን ሰርሳሪ ኣይተቐየረን። ንሱ ሓደ ካብቶም ኣሽሓት ካብ ዕሸል ዕድሚኦም ብሳይበራዊ ፍልጠት ሙኩራት ክኾኑ ፍሉይ ክትትል ተገይሩሎም ዝዓበዩ ሰሜን ኮርያውያን'ዩ። እዚኦም ጌና ቖልዑ 12 ዓመት እናሃለው ፍሉይ ክትትል ዝግበረሎም በሊሕ ፍልጠት ሒሳብ ዘለዎም ኮይኖም፡ ካብ ንጉሆ ክሳብ ምሸት ብርቱዕ ትምህርቲ ይወሃቦም። ሰራሕተኛ ሃገራዊ ባንኪ ባንግላድሽ ነታ ፕሪንተር ክኸፍታ እንከሎ፡ ኣዝዩ ዘሰንብድን ዘጨንቕን ዜና'ዩ በጺሑዎም። ካብታ ፕሪንተር ዝወጽእ ዝነበረ ኣብ ኒውዮርክ ካብ ዝርከብ ፌደራላዊ ባንኪ ዝተላእኸ ህጹጽ መልእኽቲ ትሕትም ነይራ። እዚ ባንግላድሽ ዶላር እትኽዝነሉ ባንኪ እዩ። 'ፌድ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፈደራላዊ ባንኪ ኣመሪካ፡ ካብ ባንኪ ባንግላድሽ ሓደ ቢልዮን ዶላር ዝጽጋዕ ገንዘብ ከውጽእ መምርሒ ከም ዝተቐበለ ይገልጽ። እቲ ባንኪ ከረጋግጽ ስለ ዘለዎ ፈደራላዊ ባንኪ ኣመሪካ ክረኽብዎ ፈቲኖም፤ እቶም ሰርሰርቲ ግን ኣብ ሰዓቶም ብኣግባቡ ይሰርሑ ስለ ዝነበሩ ክሰልጦም ኣይክኣለን። እቶም ሰርሰርቲ ዓርቢ 4 ለካቲት እዮም ነዚ መደብ ጀሚሮምዎ። ኣብ ኒውዮርክ ብዘሎ ኣቆጻጽራ ሰዓት ከኣ ሓሙስ ንጉሆ ነይሩ። እዚ ባንግላድሽ ደቂሳ እንከላ ድላዮም ክገብሩ ዕድል ንምምችቻእ ኮነ ኢሎም ዝተጠቐምሉ ኣቆጻጽራ ሰዓትን መዓልትን'ዩ። ግልጺ ንምግባር ዝኣክል፡ ዓርቢ ምስ ኮነ - ባንግላድሽ ቐዳመ ሰናብቲ ንምቕባል ጉምብሕ ጥልዕ እያ ትብል። እንታይ ማለት'ዩ፡ ኣብ ባንግላድሽ ዓርብን ቀዳምን ስራሕ የለን፤ በዚ መሰረት እቲ ኣብ ድካር [ርእሰ ከተማ ባንግላድሽ] ዝርከብ ባንኪ ኣብ ናይ ክልተ መዓልታት ዕረፍቲ ስራሕ እዩ ዝህሉ። ባንግላድሽ እቲ ዝተፈጸመ ስርቂ ንክትቐልዕ ኣብ እትፍትነሉ ዕለት ከኣ ኣብ ኣመሪካ ቀዳመ ሰናብቲ ኮይኑ፡ መዓልታት ተቐይሩ ጸኒሑ። \"ብልሒ ናይዞም ሰርሰርቲ ርኢኹም'ዶ?\" ይብል ክኢላ ድሕነት ሳይበር ራኬሽ ኣስታና። \"እቲ ስርቂ ሓሙስ ምሸት ዝተመረጸሉ ምኽንያት ብጥበብ'ዩ። ዓርቢ ኣብ ኒውዮርክ ናይ ስራሕ መዓልቲ'ዩ፤ ኣብ ባንግላድሽ ከኣ ባንኪ ዕጹው'ዩ። ባንኪ ባንግላድሽ ናብ ኦንላይን ኣብ ዝምለሰሉ ሰዓት ከኣ ኣብ ኒውዮርክ ዘሎ ፌደራል ባንኪ ዕጽው'ዩ። ንሰለስተ መዓልቲ ዝኣክል እንታይ ከም ዝተፈጥረ ከይፍለጥ'ዮም ከምዚ ገይሮም\" ኢሉ። እዞም ሰርሰርቲ ተወሳኺ ሰዓት ንክገዝኡ እዚ ጥራሕ ኣይኮኑን ገይሮም። ሰኑይ 8 ለካቲት ብ2016፡ ኣብ መላእ ኤሽያ ሓድሽ ዓመት ሉናር ስለ ዝኾነ ሃገራዊ በዓል'ዩ ነይሩ። በዚ መሰረት እቲ ገንዘብ ካብቲ ፈደራላዊ ባንኪ ኣመሪካ ኣመሓላሊፎም ምስ ወድኡ ናብ ካልእ ቦታ ክልእኹዎ ደልዮም። ስለዚ እቲ ገንዘብ ዝመሓላለፈሉ መገዲ ኣብ ማኒላ ምስ ዘዳለውዎ ናይ ባንኪ ሒሳብ ኣራኺቦምዎ፤ ኣብ ፊሊፒንስ። ኣብ ባንግላድሽ፣ ኒውዮርክን ፊሊፒንስን ዘሎ ናይ ሰዓት ኣፈላላይ ተጠቒሞም እቶም ሰርሰርቲ ነቲ ገንዘብ ንምውጻእ ሓሙሽተ መዓልቲ ከም ዘለዎም ፈሊጦም ኣለው። ነዚ ኹሉ መደብ ንምውጻእ እኹል ግዜ ነይሩዎም፤ ምኽንያቱ ጉጅለ ኣልኣዛር፡ ንዓመታት ኣብ ስርዓት ኮምፒዩተር ባንግላድሽ ኣትዩ ክሕምዙቕ'ዩ ጸኒሑ። ከመይ እንተኢልኩም፡ ወርሒ ጥሪ 2015 ጉድኣት ዘብጽሕ ዘይመስል ኢሜይል ናብ ሰራሕተኛታት ባንግላድሽ ተላኢኹ ነይሩ። እዚ ንርእሱ ራስል ኣሕላም ኢሉ ካብ ዝጽውዕ ስራሕ ዝደሊ ውልቀሰብ ከም ዝተላእኸ ይሕብር። እቲ ትሕትና ተላቢሱ ናይ ትምህርትን ስራሕ ተሞኩሮን ታሪኹ [ሲቪ] ኣውሪዶም ክርእዩዎ ዝሓትት መልእኽቲ ዘስለሎም ሰራሕተኛታት እቲ ባንኪ ግን በዚ ከይተታለሉ ኣይተርፉን። ይኹን'ምበር ራስል ኣብ ግሃድ ዓለም ዘሎ ሰብ ኣይኮነን። መርመርቲ ኤፍቢኣይ ከም ዝብሉዎ ጉጅለ ኣልኣዛር ዝፈጠሩዎ ናይ ሓሶት ስም እዩ። ብውሑድ ሓደ ሰብ ኣብቲ ባንኪ በዚ ውዲት ተታሊሉ [ኣብዚ መጻወዲያ] ወዲቑ። እቲ ዝተላእኸ ናይ ትምህርትን ስራሕ ተሞኩሮን ታሪኽ እቲ ውልቀሰብ ከኣ ኣውሪዱዎ። ኣብ ውሽጡ ሒዙዎ ብዝነበረ ቫይረስ ክኣ ኮምፒዩተራት እቲ ባንኪ ተበኪለን። በዚ ኣቢሎም ናብ ስርዓት እቲ ባንኪ ዝኣተው ጉጅለ ላዛረስ ካብ ሓደ ኮምፒዩተር ናብ ካልእ እናነጠሩ ናብቲ ዲጂታላዊ ቀስቲ ድሕሪኡ ድማ ናብቶም ቢሊዮናት ዶላራት ዝተኸዘኖም ቦታታት ዝኣትውሉ ነዃል ከመቻችኡ ጀሚሮም። ካብኡ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ደው ኣቢሎም። እዞም ሰርሰርቲ፡ እቲ ኢሜይል ናብቲ ባንኪ ካብ ዝልኣኽ ድሕሪ ሓደ ዓመት ገንዘብ ጥራሕ ዝሰረቕሉ ምኽንያት ግን እንታይ'ዩ? ስለ ምንታይ ሓደጋ ከም ዘለዎ እናፈለጡ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ውሽጢ ስርዓት እቲ ባንኪ ክጸንሑ መሪጾም? መልሱ ቀሊል'ዩ፤ እቲ ገንዘብ ዘህድምሉ ምቹእ ሰዓት ክህሉ ስለ ዝነበሮ'ዩ። ጎደና ጁፒተር፡ ኣብ ማኒላ [ፊሊፕንስ] እቲ ኣዝዩ ዝተጨናነቐን ምንቅስቓስ ዝበዝሖን ጎደና እዩ። ኣብ ጎኒ ኢኮ-ሆቴልን ጨንፈር ኮርፖሽን ባንኪ ንግዲ ራዚል [ኣርሲቢሲ] ዝኾነ ሕክምና ስንን፡ ናይታ ሃገር ዝዓበየ ባንኪ ኣሎ። ኣብ ወርሒ ግንቦት 2015 እቶም ሰርሰርቲ ስርዓት ባንኪ ባንግላድሽ ምስ ረኸቡ ድሕሪ ዝተወሰኑ ኣዋርሕ ኣብዚ ባንኪ ኣርባዕተ ናይ ባንኪ ሒሳብ ተኸፊቶም [በቶም ሰርሰርቲ ዝተዳለው]። ገለ ዘጠራጥሩ ነገራት ነይሮም። እዞም ናይ ሒሳብ ባንኪታት ንምኽፋት ዝተጠቐምሉ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ስኑዕ'ዩ፣ እቶም ኣመልከትቲ'ውን ኣብ ዝተፈላለየ ኩባኒያ ዝሰርሑ ሓደ ዓይነት መደብ ስራሕን ደሞዝን ከም ዘለዎም ይገልጹ። ግን ድማ ዋላ ሓደ ነዚ ኣየስተባህለሉን። ስለ ዝኾነ ድማ እዞም ናይ ሒሳብ ቑጽሪታት ብ500 ዶላር መጀመሪ ዕቋር ኣቢሎም ንኣዋርሕ ከይተተንከፉ ጸኒሖም። እቶም ሰርሰርቲ ከኣ ኣብቲ ዝቕጽል መደቦም ትኹረት ገይሮም ይሰርሑ ነይሮም። ኣብ ለካቲት 2016 እቶም ሰርሰርቲ ናብ ባንኪ ባንግላድሽ ዕውት ብዝኾነ መገዲ ምስ ኣተው፡ እቲ ገንዘብ ዝመሓላለፈሉ መገዲ ፈጢሮም። ይኹን'ምበር ሓንቲ ከተተዓናቕፎም እትኽእል ጉዳይ ኣላ፤ ንዓኣ ምውጋድ ከድሊ እዩ። እታ ኣብ 10 ደርቢ ዘላ ፕሪንተር። ባንኪ ባንግላድሽ፡ ካብቲ ባንኪ ዝግበር ኩሉ ዓይነት ምዝውዋር ገንዘብ ንምቁጽጻር እታ ፕሪንተር ወረቐት ወዲኣ ስርሓ ጠጠው ንከይተብል መሐለውታ [መለሳ] ኣዳልዩላ'ዩ። እዚ ናይ ልውውጥ ሰነድ ድማ ነዞም ሰርሰርቲ ብቐሊሉ ከቃልዖም ዝኽእል እዩ። ስለዚ ናብቲ ነዚ ዝቆጻጸር ሶፍትዌር ሰይሮም ብምእታው ካብ ስራሕ ወጻኢ ክኸውን ገይሮም። ምሸት ሰዓት 8፡36 ሓሙስ ኣርባዕተ ለካቲት 2016፡ እቶም ሰርሰርቲ ናብ 35 ኣካውንታት 951 ሚልዮን ዶላር ገንዘብ ከመሓላልፉ ጀሚሮም። ኣብዚ ግዜ ዳርጋ ኹሉ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ካዝና ባንኪ ባንግላድሽ ዝነበረ ተሓጢጡ'ዩ ክወጽእ ጀሚሩ። እዞም ሰረቕቲ ኣብቲ ዕለት ዓብዪ ናይ ገንዘብ ምዝውዋር ክገብሩ መደብ ነይሩዎም፤ እንተኾነ ልክዕ ከምቲ ሆሊውድ ዝሰርሖ ፊልሚ 'ማኒ ሄይስት' ሓንቲ ንኡሽቶ ነገር ኣብ ቀይዲ ክተእትዎም'ያ። ሃገራዊ ባንኪ ባንግላድሽ ኣብቶም ናይ ዕረፍቲ መዓልታት ገንዘብ ከም ዝጠፍአ ምስ ፈለጠ እንታይ ከም ዘጋጠመ ንምፍላጥ ዓብዪ ጻዕሪ ይገብር። ኣመሓዳሪ እቲ ባንኪ ነዚ ምስ ፈለጠ ክሳብ 2020 ዳይሬክተር ሓይሊ ጸጥታ ዶብ ህንዲ ራኪሽ ኣስታናን ኩባንይኡ ወርልድ ኢንፎርማክስን ጸዊዑ ሓግዘኒ ኢሉዎ። ኣብዚ ግዜ ኣስታና እቲ ዝተሰረቐ ገንዘብ ክተምልሶ ትኽእል ኢኻ ክብል ነቲ ኣመሓዳሪ ባንኪ ይነግሮ፤ ንሱ'ውን ካብ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ እንኮላይ ካብ መንግስቱ ነዚ ናይ ሰርሰርቲ ሓደጋ ሓቢኡ ይሕዞ። ቁሩብ ጸኒሑ ኣስታና እቲ ዝተፈጸመ ገበን ቀሊል ከም ዘይኮነ የስተብህል። እቶም ሰረቕቲ ናብ ቑልፊ ስርዓት ባንኪ ባንግላድሽ ክኣትው ከም ዝኽኣሉ ይርዳእ። እዚ 'ስዊፍት' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስርዓት ኣብ ዓለም ዘለው ኣሽሓት ባንኪታት ዝጥቀምሉ ኮይኑ ኣብ ሞንግኦም ንዝህሉ ምትሕልላፍ ገንዘብ ንምትሕብባር ዝጥቀምሉ እዩ። እቶም ሰርሰርቲ በዚ ዝተላዕለ ከይንቅሓሎም እቲ ሶፍትዌር ነቶም ሰርሰርቲ ተራ ሰራሕተኛታት እቲ ባንኪ መሲሎም ንክርኣዩ ብዝገብር ኣገባብ ቓንዮምዎ። ውዒሉ ሓዲሩ ሰብ መዚ ባንኪ ባንግላድሽ እቲ ዝተሰረቐ ገንዘብ ክመልሱዎ ከም ዘይኽእሉ ይፈልጡ። ገለ መጠን ገንዘብ ድሮ ኣብ ፍሊፒንስ በጺሑ ኣሎ፤ ስለዚ ገንዘብ ናይ ምምላስ መስርሕ ንክጅምሩሎም ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ከም ዘድሊ ይሕብሩዎም። ባንኪ ባንግላድሽ ሰነዳት ኣኪቡ እቲ ዝተባህሎ ናይ ቤት ፍርዲ ጉዳይ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት ክውድእ እንከሎ፡ ድሮ እቲ ጉዳይ ህዝቢ ፈሊጡዎ፤ ዓለም በቲ ስርቂ ጫው ጫው ክትብል ጀሚራ። \"ኣመሓዳሪ እቲ ባንኪ ካብ መዝነቱ ክወርድ ተነጊሩዎ፤ ድሕሪኡ ርእየዮ ኣይፈልጥን\" ይብል ኣስታና። ካልኣይ ክፋሉ ጽባሕ ከነስዕብ ኢና።","category":"ድሕነት ኮምፒተር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57632728"} {"headline":"ብሰንኪ ሰርሰርቲ ዘውረድዎ መጥቃዕቲ ናይ ማዕከን ዜና ኤሪሳት ናይ ዩቱብ ቻነል ተዓጽዩ","content":"ናይ ዩቱብ ቻነል ፍሉጥ ኤርትራዊ መደበር ተለቪዥን ኤሪሳት ምስ ሰርሰርቲ ብዝተሓሓዝ ከምዝተዓጽወ ኣካየድቱ ኣፍሊጦም። እቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ማዕከን ዜና ከምዝበሎ፡ እቶም ናይ መርበብ ጉሓሉ ነቲ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ናይ ዩቱብ ቻነሉ ብመንገዲ ናይ ኣዳለውቱ መስመራት ብምእታው፡ ዘየድሊ ትሕዝቶታት ብምፍናው ትካል ዩቱብ ክዓጽዎ ከምዝገበሩ ገሊጹ። እንተኾነ ግን፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ምቁጽጻር ናይቶም ሰርሰርቲ ቅድሚ ምእታዉ ቀልጢፉ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ከምዝወሰደ ኤሪሳት ሓቢሩ'ሎ። \"በዚ መሰረት ድማ ነቲ ቻነል ምሉእ ብምሉእ ከይድምስስዎ ምእንቲ ነቲ መፍትሕ [ፓስዎርድ] ናይ ቻነልና ቀይርናዮ\" ብምባል ነቲ ዝወረደ ክሳራ ከውሕዶ ከምዝኸኣለ ኣፍሊጡ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ኩነታት ምዕጻው ናይቲ ቻነል ለስዘኸተለ፡ ዝፍንውሉ ካልእ መስመር ከናድዩ ኣገዲድዎም ኣሎ። ብናይ ካልእ ኩባንያ ኣርማ (ሎጎ) ከምዝቐየርዎ'ውን ዝሓበረ ኤሪሳት፡ ጥርዓኑ ናብ ትካል ዩቱብ ከምዘቕረበ ገሊጹ'ሎ። ኣካያዲ ስራሕ ኤሪሳት ጋዜጠኛ ሄኖክ ተኽለ፡ \"ምስ ዩቱብ ንጸሓሓፍ ኣለና፡ ክኸፍቱልና ኸኣ ትጽቢት ንገብር ኣለና\" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ። \"ኣብ ናይ መጀመርታ 15 ደቂቕ ነቲ ተጻዒኑ ዝነበረ ብሓደ ትእዛዝ ካብ Public [ናይ ህዝቢ] ናብ Private [ብሕቲ] ንክቕየር ትእዛዝ ሂቦሞ\" ኢሉ። ክሳዕ'ቲ ኩነታት መፍትሒ ዝረክብ፡ ብካልኣይ ቻነል ፈነወታቱ ምዝርጋሕ ከምዝቐጸለ ኣካየድቲ ሓቢሮም ኣለዉ። ዋላ'ኳ ብመን ከምዝተፈጸመ ብንጹር እንዘይገለጹ፡ እቲ ስጉምቲ \"ንድምጺ ህዝቢ ኤርትራ\" ንምዕጻው ዝተወስደ ምዃኑ'ዩ እቲ ትካል ገሊጹ ዘሎ። ኣብ ጥቅምቲ 2018 ዝጀመረት ተለቪዢን ኤሪሳት ብቋንቋታት ትግርኛ፡ ዓረብ፡ ዓፋርን ብሌንን ብመንገዲ ሳተላይት ናብ ኤርትራ ፈነወ ተካይድ። ብወግዒ ስራሕ ድሕሪ ምጅማራ ዓፈና ኣጋጢምዋ ከምዝነበረን፡ ዳግማይ ኣብ 2019 ናብ ፈነወ ከምዝተመልሰትን ይዝከር። ኣብዚ ቀረባ እዋን'ውን ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘጋጠመ ምቁራጽ ኤለክትሪክ፡ ነቲ ተለቪዥን ክከታተል ዘይክኣለ ህዝቢ ንምብጻሕ ፈነወ ራድዮ ብሓጺር ማዕበል ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ ነይሩ። መንግስቲ ኤርትራ ካብ መስከረም 2001 ኣትሒዙ ናጻ ፕረስ ስለዝኣገደ፡ ናይ ብሕቲ ትካላት ሜድያ ኤርትራ እተን ኣብ ስደት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከባ እየን።","category":"ድሕነት ኮምፒተር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60092148"} {"headline":"ኣእምሮ ኣብረርቲ ከንብባ ዝኽእላ ነፈርቲ ውግእ","content":"ሰራዊት ብሪጣንያ፡ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝተጠቕመለን ‘ስፒትፋየር’ ዝተባህላ ነፈርቲ ውግእ ብዙሕ ተዘሪቡለን ነይሩ። ኣብረርቲ ስፒትፋየር፡ እታ ነፋሪት ልክዕ ከም ሓደ ክፋል ኣካላትና ኢና ንቈጻጸራ ብምባል፡ ምችእትን ቀላልን ከም ዝዀነት ገሊጾም ነይሮም። ኣብ 2030 ግን፡ ኣብረርቲ ምስ ዘንቀሳቕሱወን ነፈርቲ ውግእ ካብዚ ዝተፈለየ ዝምድና ክህልዎም እዩ። እተን ኣብ መጻኢ እንርእየን ነፈርቲ ውግእ፡ መምርሒ ኣብረርተን ካብ ምቕባል ሓሊፉ ኣእምሮኦም ምንባብ ክጅምራ እየን ተባሂሉ ኣሎ። እዘን ‘ቴምፐስት’ ዝብል ስያመ ዝተዋህበን ነፈርቲ ውግእ፡ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ቢኤኢ ሲስተምስ፡ ሮልስ-ሮይስ፡ ኤምዲኢኤ ዝተባህሉ ኩባንያታት መፍረ ኣጽዋርን ሚሳይልን ምስ ኩባንያ ኢጣልያ ዝዀነ ሊዮናርዶ ብምትሕብባር ዝሰርሑወን እየን። እዘን ዘመናውያን ነፈርቲ ሒዘናኦ ካብ ዝመጽኣ ኣማራጺታት እቲ ሓደ፡ ኣብረርቲ ስራሕ ክበዝሖም እንከሎ ወይ’ውን ኣብ ኣጨናቒ ኵነታት ክዀኑ እንከለው፡ ሓገዝ ንምሃብ ዘኽእል 'ኣርተፊሻል ኢንተሊጀንስ' [ሰብሰርሖ ብልሒ] ክግጠመለን እዩ። እቶም ኣብረርቲ ዝገብርዎ መከላኸሊ ርእሲ [ሀልመት] መልእኽታት ኣእምሮን ካልኦት ለውጥታትን እቲ ኣብራሪ ይከታተል። ንኣብነት፡ እቲ ኣብራሪ ውነኡ እንተኣጥፊኡ፡ እቲ ሰብሰርሖ ብልሒ እታ ጀት ናይ ምቍጽጻር ሓላፍነት ይርከብ። ኣፍራዪ ቢኤኢ ሲስተምስ፡ እዘን ነፈርቲ ውግእ፡ ኣብ 2027 ናይ ፈተነ በረራ ከም ዝገብራ ገሊጹ። ሽዑ፡ ብድሮናት ተዓጂበን ከም ዝበራን ክትትል ከም ዝግበረለንን’ውን ተሓቢሩ ኣሎ። ዳይረክተር ልምዓት ንግዲ ቴምፐስት ጆን ስቶከር፡ ንመጻኢ ነፈርቲ ውግእ ምፍራይ ምስቲ መዓልታዊ ዝቀያየር ዘሎ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ተወሃሂዱ ዝኸይድ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ። ንመጻኢ፡ ኣብ ስርዓት እዘን ነፈርቲ ውግእ ምምሕያሽ [ኣፕግረይድ] ምግባር ከድሊ እንከሎ፡ ልክዕ ከም ሓደ መተግበሪ ብቐሊሉ ኣብ ተሌፎንካ ኣውሪድካ እትጽዕኖ ኣዝዩ ዝቐለለ ክኸውን እዩ ይብል። ጃፓን፡ ምስዘን ነፈርቲ ውግእ ዝመሳሰላ ነፈርቲ ተፍሪ ኣላ፤ ኣብ ምምዕባል ፔምኦስት ምስ ኩባንያታት ብሪጣንያን ኢጣልያን ትተሓባበር። ሚስቱቢሺ ዝተባህለ ኩባንያ ጃፓን፡ ሚስቱቢሺ ኤፍ-ኤክስ ዝተባህላ ነፈርቲ ውግእ ንሓይሊ ኣየር እታ ሃገር ይሃንጽ ኣሎ። ከም ቦይንግ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኩባንያታት ነፈርቲ፡ ሞተር ዘቕርብ ሮልስ-ሮይስ፡ ንነፈርቲ ቴምፐስት ዝኸውን ሞተር ናይ ምስራሕ ሓላፍነት ኣለዎ። ላዕለዋይ ሓላፊ እቲ ኩባንያ ጆን ዋርደን፡ “ንስርዓት እዘን ነፈርቲ ምሉእ ሓይሊ ክንህብ ንደሊ ኢና” ኢሉ። ኤምቢዲኤ ዝተባህለ ኩባንያ መፍረ ኣጽዋራት ብወገኑ፡ ኣብ ልዕሊ እተን ነፈርቲ ዝግጠሙ ሚሳይላት የቕርብ። መንግስቲ ብሪጣንያ ክሳብ ሕጂ ንፕሮጀክት ቴምፐስት ክልተ ቢልዮን ፓውንድ ወጻኢ ገይሩ ኣሎ። እዘን ነፈርቲ ምሉእ ብሙሉእ ናብ ስራሕ ቅድሚ ምእታወን ወጻኢታት መንግስቲ ብብዙሕ ዕጽፊ ክውስኽ ከም ዝኽእል ይግመት። ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓያል ሰራዊት ኣለወን ዝበሃላ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ‘ታይፉን’ ዝተባህላ ነፈርቲ ውግእ ይጥቀማ። እዘን ነፈርቲ ውግእ ኤየርባስ፡ ቢኤኢ ሲስተምስን ሊዮናርዶን ብሓባር ብምዃን ዝሰርሑወን ኰይነን፡ ብቐንዱ ሰራዊት ምክልኻል ሃገራት ጀርመን፡ ኢጣልያን ስጳኛን ይጥቀሙለን ኣለው። እዘን ነፈርቲ ውግእ ንኽስርሓ፡ መንግስቲ ብሪጣንያ 12 ቢሊዮን ፓውንድ ወጻኢ ገይሩ ነይሩ። ሕጂ መንግስቲ እታ ሃገር ካብዘን ነፈርቲ ውግእ 21 ቢልዮን ፓውንድ ከም ዝረኸበ ይገልጽ። ብተወሳኺ፡ እዘን ነፈርቲ ውግእ ን20 ሽሕ ሰባት ዕድል ስራሕ ፈጢረን እየን። ሕጂ ድማ፡ ኣብ 2040 ብሪጣንያን መሓዙታ ሃገራትን ኣዝዩ ብዝተሓላለኸ ውጽኢት ቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ስግኣት ድሕነት ስለ ዘጋጥመን፡ ነዚ ንምምካት ከም ቴምፐስት ዝበሉ ቴክኖሎጂታት የድልዩ’ዮም ክብል ቢኤኢ ሲስተምስ ይገልጽ።","category":"ድሕነት ኮምፒተር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cqqd0k46wp4o"} {"headline":"ዲጂታላዊ ባጤራ፡ ሰሜን ኮርያውያን ሰርሰርቲ ኣብ 2021፡ 400 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ 'ክሪፕቶ' ከምዝሰረቑ ተገሊጹ","content":"ሰሜን ኮርያውያን ሰርሰርቲ ኣብ ዓመተ 2021፡ 400 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ዲጂታላዊ ባጤራ (ክሪፕቶካረንሲ) ከምዝሰረቑ ጸብጻባት ሓቢሮም። ን'ብሎክ ቸይን' ዝትንትን ቸይንኣናሊሲስ ዝተብሃለ ኩባንያ ከምዝገለጾ፡ ዓመተ 2021 ነቶም ኣብታ ምብራቕ እስያዊት ሃገር ዝርከቡ ገበነኛታት ሳይበር ኣብ ታሪኽ እቲ ብሉጽ ዓመት እዩ ነይሩ። እቲ መጥቃዕትታት ብቐንዱ ንናይ ወፍርን (ኢንቨስትመንት) ናይ ምእኩል ሸርፍን ትካላት ዕላማ ዝገበረ እዩ ነይሩ። መንግስቲ: ካብታ ሃገር ኣብ ዝፍጸም ናይ ስርሰራ ተግባራት ኢድ ኣለዎ ንዝብል ክሲ ብተደጋጋሚ እዩ ዝነጽጎ። ቸይንኣናሊሲስ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ \"ካብ 2020 ክሳብ 2021 ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣብ ሰሜን ኮርያ ኮይኑ ዝፍጸም ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ካብ 4 ናብ 7 ክብ ኢሉ ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ብ40 ሚኢታዊት ከምዝዓበየ'ዩ ዘርእየና\" ኢሉ። ዲጂታላዊ ባጤራ ካብን ናብን ኣብ ዝሰጋገረሉ ብብሎክቸይን ተማእኪሉ ብመስርሕ ኢንተርኔት ዝግብር ኮይኑ፡ ወላ'ኳ እኹል ምቁጽጻር ከምዝግበረሉ ይንገር እንተኾነ ብሳይበራውያን ሰርሰርረቲ ብተደጋጋሚ ክስርቕ ይርአ'ዩ። ቸይንኣናሊሲስ ኣብ ዓመተ 2021 ካብ ዝተፈጸመ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ እቲ ዝበዝሐ: በቲ ላዛረስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጉጅለ ከምዝተፈጸመ ይነግር። ጉጅለ ላዛረስ ብኣመሪካ እግዳ ዝተነበሮ ኮይኑ፡ እቲ ጉጅለ ብቤት ጽሕፈት ስላያ ሰሜን ኮርያ ቁጽጽር ከምዝግበረሉ'ዩ ዝንገረሉ። ጉጅለ ላዛረስ፡ ኣብ 2014 ኣብ ልዕሊ ሶኒ ፒክቸርስ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ተኸሲሱ ዝነበረ ኮይኑ፡ ናይ ውልቀ ሰባትን ትካላትን ማሕፉዳ ብምስርሳር ብተደጋጋሚ ስሙ ዝለዓል ጉጅለ'ዩ። ሕቡራት ሃገራት፡ ሰሜን ኮርያ ብሳይበራዊ መንግዲ ብዝተሰረቐ ሰልዲ ሚሳኤላት ተማዕብል ከምዘላ ገሊጹ ምንባሩ'ውን ዝዝከር'ዩ። መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይ 2021 ንሰለስተ ሰሜን ኮርያውያን ክኢላታት ኮምፒተር፡ 1.3 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ጥረ ሰልድን ዲጂታላዊ ባጤራን ክሰርቁ ሃቂኖም ብምባል ከምዝኸሰሶም ይዝከር።","category":"ድሕነት ኮምፒተር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59991263"} {"headline":"ትራምፕ፡ ንዕኡ ዝነቅፍ መጽሓፍ ከይዝርጋሕ ንዘቕረቦ ሕቶ ዳኛ ነጺጉዎ","content":"ብኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ነበር፡ ጆን ቦልቶን ተጻሒፉ ዝቐረበን ነቲ ፕረዚደንት የቃልዕ እዩ ዝተብሃለን መጽሓፍ ክእገደሉ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ናብ ቤት ፍርዲ ጥርዓን ኣቕሪቡ ነይሩ። ጆን ቦልቶን፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝነበረ ኾይኑ፡ ኣብዚ 'The Room Where It Happened' ዝብል ሓድሽ መጽሓፉ፡ ገለ ዝፈልጦም ምስጢራት ኣውጺኡ ተባሂሉ እዩ ዝዝረብ። ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ፡ እቲ መጽሓፍ ብኣግባቡ ኣይተመርመረን ኢሉ እዩ ዝሟገት። ነዚ ብፕረዚደንት ትራምፕ ዝተበገሰ ጥርዓን ዝመርመረ ዳኛ ናይ ሓደ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ግን፡ \"እቲ ጥርዓን፡ እቲ መጽሓፍ ከብጸሖ ንዝኽእል ጉድኣት ብግቡእ ከረጋግጽ ኣይከኣለን\" ብምባል ክዝርጋሕ ወሲኑ። እንተኾነ እቲ ዳኛ፡ እቲ ጸሓፊ ብሃገራዊ ረብሓ ኣመሪካ 'ጠላዕ' ከምዝተጻወተ ገሊጹ ስክፍትኡ ኣስፊሩ እዩ። ዛጊድ፡ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸር ቅዳሕ ናይቲ መጽሓፍ ተሓቲሙ ተዘርጊሑ እዩ። ኣብ መጻኢ ሰሉስ ድማ፡ እዚ ኣዘራራቢ መጽሓፍ ኣብ ዕዳጋ ክውዕል እዩ ተባሂሉ። ጆን ቦልተን፡ ኣብዚ መዘከርትኡ 'ህስስ' ዝበለ ስእሊ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝተጠቐመ ኾይኑ፡ እቲ ፕረዚደንት ዝገብሮ ነገር ኩሉ፡ ኣብ ቀጻሊ መረጻ ደጊሙ ንክስዕር ዝዓለመ ምዃኑ እዩ ዘቃለዕ። ፕረዚደንት ትራምፕ ግን፡ እቲ መጽሓፍ ብሕሶትን በለካ ለኽዐካን ዝተመልአ ክብል እዩ ኣቆናጺብዎ። ጠበቓ ጆን ቦልተን፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ንትሕዝቶ ናይቲ መጽሓፍ እዩ ዘይፈተዎ'ምበር፣ ከምቲ ኣብቲ ክሲ ዝተብሃለ፡ ዝባኸነ ሃገራዊ ምስጢር የለን እዩ ዝብል። እቲ ዳኛ ግን፡ እቲ መጽሓፍ ቅድሚ ምሕታሙ፡ 'ኣድላይ ዝበሃል ጥንቃቐ ይሓትት ነይሩ፡ ሃገራዊ ድሕነት ድማ ቀዲሙ ክሪኦን ክምርምሮን ነይሩዎ' እዩ ዝብል። እቲ ዳኛ፡ ኣብ 10 ገጽ ኣብ ዘስፈሮ ብይን፡ ቦልተን ምስጢር ሃገር ንከየቃልዕ ንዝኣተዎ ግዴታ ጥሒሱ፡ ነዚ መጽሓፍ ከምሰናደአ ሓቢሩ እዩ። እቲ ጠበቓ ግን፡ ነዚ ኣገላልጻ ናይቲ ዳኛ ኣይተቐበሎን። እንተኾነ፡ መንግስቲ እቲ መጽሓፍ ከይዝርጋሕን ክእገድን ንዘቕረቦ ሕቶ፡ እቲ ከይበጽሕ ዝተስገአ ጉድኣት ድሮ ኣጋጢሙ ዘሎ እዩ ኢሉ ስለዝኣመነሉ፡ 'ኣየናይ ጉድኣት ንምክልኻል እዩ'ሞ ክእገድ?' ክብል ይሓትት። \"ኣብዚ ኣብ ዘመነ ኢንተርኔት፡ ዋላ ብኣጻብዕቲ ዝቑጸራ ቅዳሓት እንተወጺአን እቲ ጉድኣት ምቁጽጻር ኣይከኣልን። ሓደ ግዱስ ሰብ ኣብ እንዳቡኑ ኮፍ ኢሉ ንዓለም ከባጽሖ ይኽእል እዩ። እቲ ጉድኣት በጺሑ እዩ። ምሕዋይ ኣይከኣልን\" ኢሉ። ፕረዚደንት ትራምፕ፡ እቲ ዳኛ እዚ ኢሉ ምስ ወሰነ ሽዑ ንሽዑ፡ \"ቦልተን ብዙሕ ሃገራዊ ምስጢር ኣባኺኑ\" ክብል ኣብ ትዊተሩ ለጢፉ። ጠበቓታትን ወነንቲ እቲ ቤት ሕትመትን፡ ዳኛ እቲ መጽሓፍ ከይእገድ ምውሳኑ ኣድኒቖም። እንተኾነ፡ ብፍላይ እቲ ጠበቓ \"ቦልተን ንዝኣተዎ ግዴታ ጥሒሱ እዩ\" ንዝብል ናይቲ ዳኛ ርእይቶ ኣይንቕበሎን ኢሉ። ጆን ቦልተን፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2018 እዩ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳያት ሃገራዊ ጸጥታ ኾይኑ ተመዚዙ። እንተኾነ፡ 2019 ብፍላይ ኣብ ጉዳያት ኢራን፣ ሰሜን ኮርያን ኣፍጋኒስታንን ምስ ትራምፕ ከይተስማምዑ ስለዝተረፉ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም መዝነቱ ብፍቓዱ ገዲፉ። ቦልተን ኣብ መጽሓፉ ንፕረዚደንት ትራምፕ፡ 'ቅዋም ዘይብሉ፣ ንቕድሚት ዘይርኢን መረዳእታ-ኣልቦን\" ክብል እዩ ኣቆናጺብዎ። ብውልቀ ተዘራሪብናሎም ኢሉ ኣብ መጽሓፉ ዘስፈሮም፡ ምርግጋጽ ዘይተኽኣሉ ጉዳያት፡ ትራምፕ፡ ቻይና ኣብ መጻኢ መረጻ 2020 ክትሕግዞ ምድላዩ፣ ኣብ ቤት ፍርዲ ኢዱ ከእቱ ምድላዩን ንፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ታይፕ ክሕግዝ ምድላዩን ይርከብዎም። ፕረዚደንት ትራምፕ፡ እንግሊዝ ኑክሌር ከምእትውንን ኣይፈልጥን፣ ፊንላንድ ድማ ኣካል ሩስያ ገይሩ ከምዝቖጸራ ዝኣመሰሉ ናይቲ ፕረዚደንት ፍልጠት ትሑት ምዃኑ ዘርእዩ ጉዳያት 'ውን ኣስፊሩ ተባሂሉ እቲ መጽሓፍ።","category":"ድሕነት ኮምፒተር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53077913"} {"headline":"ኤፍ.ቢ.ኣይ ካብ መንበሪ ገዛ ትራምፕ ምስጢራዊ ሰነዳት ወሲዱ","content":"ፌዴራላዊ መርመራ ገበን ኣሜሪካ (ኤፍ.ቢ.ኣይ) ኣብ ፍሎሪዳ ዝርከብ መንበሪ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ብምውራር፡ ልዑል ምስጢራዊ ሰነዳት ከምዝሓዘ እቲ ናይ ምፍታሽ ትእዛዝ ይሕብር። በዚ መንገዲ፡ ኣባላት ኤፍ.ቢ.ኣይ፡ ቲ.ኤስ\/ኤስ.ሲ.ቲ [TS\/SCI] ተባሂሎም ዝተለለዩን ምልክት ዝተገብረሎምን ዓሰርተ ሓደ ሰነዳት ዝሓዙ ዀይኖም፣ እዚ ድማ ኣብ ሃገራዊ ድሕንነት እታ ሃገር ሓደገኛ ጉድኣት ከስዕብ ይኽእል እዩ ተባሂሉ። ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ናይ ሓደ ፕረዚደንት ነበር ገዛ ብገበናዊ መርመራ ዝተዘመተሉ እዚ ንፈለማ እዋን'ዩ። እቲ ዝርዝር ሰነዳት ዓርቢ ንህዝቢ ዝተገልጸ፡ እቲ ዳኛ፡ ኣብ ማር-ኣ-ላጎ ዝርከብ መነበሪ ገዛ ትራምፕ ናይ ምፍታሽ ትእዛዝ ዘጠቓለለ 7 ገጻት ዝሓዘ ሰነድ ድሕሪ ምዝርግሑ እዩ። ፎቶ ኣልበም፣ ብኢድ ዝተፅሓፈ መዘኻኸሪ፣ ብዛዕባ \"ፕረዚደንት ፈረንሳ\" ዝምልከት ሓበሬታን፡ ንነዊሕ እዋን መሓዛ ትራምፕ ዝኾነ ሮጀር ስቶን ወኪሉ ዝተጻሕፈ ናይ ይቕረታ ደብዳበን ሓዊሱ ልዕሊ 20 ሳጹናት፡ ኣብቲ ሰኑይ ዝተገብረ ተፍትሽ ብመርመርቲ ተታሒዞም። ብተወሳኺ፡ ኣርባዕተ ልዑል ምስጢራዊ ሰነዳት ዝሓዙ ፋይላት ተረኺቦም፡ ኣብ ውሽጦም ድማ ሰለስተ ምስጢራዊ ሰነዳትን ምስጢራዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ኣቑሑትን ተረኺቦም ተባሂሉ። ኣባላት ኤፍ.ቢ.ኣይ፡ ሓደገኛ ክኸውን ዝኽእል ሓበሬታ ሃገራዊ ድሕነት ምሓዝ ወይ ምትሕልላፍ ዝኽልክል ሕጊ ምጥሓስ ይምርምሩ ከምዘለዉ እቲ ትእዛዝ ይሕብር። እቶም ምስጢራዊ ተባሂሎም ዝተፈለዩ ሰነዳትን ንዋትን ምውሳድ ብሕጊ ክልኩል እዩ። ትራምፕ፡ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ባዕሉ ናይዚ ገበን መቕጻዕቲ ኣዕብዩዎ። እቲ ተግባር ኣብዚ ሕዚ እዋን ክሳብ 5 ዓመት ማእሰርቲ ዘቕፃዕ እዩ። ብመሰረት፡ እቲ ናይ ትእዛዝ መዘክር፡ እቲ ኣብ ማር-ኣ-ላጎ ዝተኻየደ ፍተሻ ኣብ መንበሪ ትራምፕ ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይነበረን። '45 ኣብያተ ፅሕፈት'ን ኣሃዱታት መኽዘን ሰነዳትን ዘጠቓለለ ኰይኑ፤ ትራምፕን መሓዙቱን ክጥቀሙሉ ዝጸንሑ ናይ ብሕቲ ናይ ኣጋይሽ ክፍልታት ግን ኣየካትትን። ሚኒስትሪ ፍትሒ ኣሜሪካ፡ እቲ ቤት ፍርዲ እቲ ጉዳይ ብዝምልከት ትማሊ ሓሙስ ንህዝቢ ዕላዊ ክግበር ሓቲቱ። ሓደ ጉዳይ ኣብ መርመራ እንተሎ፡ ንህዝቢ ዕላዊ ክግበር ዘይተለምደ እዩ ተባሂሉ። ቤት ጽሕፈት ትራምፕ ብወገኑ፡ ብዓርቢ ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር ስልጣኑ ተጠቒሙ፡ ምስጢራዊ ሰነዳት ካብ ምስጢራዊነቶም ናይ ምውጋድ ከምዝሰርሐ ሓቢሩ። \"እቶም ሰነዳት ካብ ቤት ፅሕፈቶም ናብ መንበሪ ገዝኦም ምውሳዶም መርኣያ ናይዚ እዩ\" ክብል እቲ መግለፂ ወሲኹ ሓቢሩ። እቲ መግለጺ፡ \"እቲ ሰነዳት ናይ ምልላይን ምክፍፋልን ስልጣን ብሕታዊ ሓላፍነት ናይቲ ፕረዚደንት እዩ\" ይብል። እዚ ምጉት ኣብ ቤት ፍርዲ ክቕጽል ድዩ ኣይቅጽልን ንጹር ከምዘይኮነ ክኢላታት ሕጊ ኣሜሪካ ንማዕከናት ዜና'ታ ሃገር ገሊጾም። ጠበቓ ክፍሊ ፍትሒ ነበር ቶም ዱፕሪ፡ \"ፕረዚደንታት ሰነዳት ክፈልዩ ይኽእሉ እዮም። እንተዀነ፡ ግቡእ ኣሰራርሓታት ክኽተሉ ኣለዎም” ይብል። “ቅጥዒ ክመልኡ ኣለዎም። ፍቓድ ክህቡ ኣለዎም። እዞም ሰነዳት እዚኣቶም ተለልዮም እዮም ጥራይ ክበሃል ኣይከኣልን። ምኽንያቱ ኣሰራርሓታት ክኽተሉ ስለዘለዎም። ትራምፕ ነዚ ተኸቲሉ ድዩ ኣይተኸተለን ንጹር ኣይኮነን\" ኢሉ። ወሃቢ ቃል ትራምፕ ታይለር ቡዶዊች፡ ምምሕዳር ጆ ባይደን ብዛዕባ ቀንዲ ፖለቲካዊ መወዳድርቱ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ይዝርግሕ ኣሎ ክብል ከሲሱ። መሓዙት ትራምፕ'ውን ትራምፕ ኣብ 2024 ዳግማይ ንኽወዳደር ስለዝሓስብ፡ እቲ ናይ ምፍታሽ ስጉምቲ ፖለቲካዊ ምዃኑ ኣውጊዞመምዎ። ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ድሕሪ'ቲ ብ ኤፍ.ቢ.ኣይ ዝተፈጸመ ተፍትሽ፡ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን መንግስቲ ብኢንተርነት ዝግበር ምፍርራሕ'ውን ይከታተሉ ኣለዉ። ነቲ ትእዛዝ ብውልቁ ዘጽደቐ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ኣሜሪካ፡ ሜሪክ ጋርላንድ፡ ንኣባላት መርመራ ገበን ፌደራል \"ውፉያትን ሃገራውያንን ኣገልገልቲ መንግስቲ\" ክብል ብሓሙስ ተኸላኺሉሎም። እቲ ዋና ዓቃቢ ሕጊ፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ \"እዚ ተኣማንነቶም ብዘይፍትሓዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን፡ ኢደይን እግረይን ኣጣሚረ ኣይቅመጥን\" ኢሉ።","category":"ድሕነት ኮምፒተር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c51v8r4197xo"} {"headline":"ካብ ኤፍቢኣይ ዝተልኣኸ ስኑዕ ናይ ‘መጠንቀቕታት’ ኢመይል የዘራርብ ኣሎ","content":"ካብ ሓደ ናይ ኤፍቢኣይ ሰርቨር ዝተልኣኸ ብኣሸሓት ዝቑጸር ኢመይል፡ ኮምፒተራዊ መጥቃዕቲታት ክፍኖ ከምዝኽእል መጠንቐቕታ ዝሓዘለ እዩ። እቲ መንግስታዊ ኤጀንሲ ትማሊ ቀዳም፡ እቲ ዘጓነፈ ተግባር ኣብ ከይዲ ምጽራይ ከምዘሎ ብምሕባር ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ። እቲ ስኑዕ ከምዝኾነ ዝንገረሉ ዘሎ ናይ ኢመይል መልእኽቲ፡ ካብ ክፍሊ ኣመሪካ ድሕነት ውሽጢ ዓዲ ዝተውሃበ መጠንቀቕታ ከምዝኾነ እዩ ዝገልጽ። እቲ መልእኽቲ መጥቃዕቲ ክፍጽም ከምዝኽእል መጠንቀቕታት ዝሓዘለ ኾይኑ “\"Urgent: Threat actor in systems.\" [ህጹጽ፡ ስግኣት መጥቃዕቲ ካብ ውሽጢ ክሊ ድሕነት] ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ እዩ። ሓደ ‘ስፓምሃውስ’ ኣብ ስኑዕ መልእኽታት ምክልኻል ኣድሂቡ ዝሰርሕ ዘይመንግስታዊ ትካል ከምዝበሎ፡ እቶም እቲ መልእኽቲ ዝበጽሖም ተቐበልቲ ሰብ ኢመይል፡ ዳርክ ኦቨርላድ ካብ ዝተብሃለ ‘ዝረቐቐን ዘተሓላለኸን መጥቃዕቲ ሳይበር’ ከምዝፍነዎም እዩ ዘጠንቅቕ። “እቶም ዘተሰደዱ መልእኽታት ከቢድ ስግኣታት እዮም ፈጢሮም፤ ምኽንያቱ እቲ ኢመይል ብትኸክል ካብ ውሽጢ ኤፍቢኣይ ከምዝተልኣኸ ዝተረጋገጸ እዩ” ኢሉ ስፓምሃውስ ኣብ ትዊተር። እንተኾነ፡ እቶም መልእኽታት ናይ ለኣኺ ኣስማትን ኣድራሽን ዘካተቱ ኣይኮነን። ገለ መራኸቢ ብዙሓን ኣመሪካ ከምዝጸብጸበኦ፡ ብተመሳሳሊ መገዲ ልዕሊ 100 ሽሕ ናይ ኢመይል መልእኽታት እዩ ተላኢኹ። ኤፍቢኣይ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኤጀንሲ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ኣንጊሁ ከምዝፈለጠን @ic.fbi.gov ካብ ዝብል ኢመይል ኣድራሻ ኤፍቢኣይ ከም ዝተልኣኹን ገሊጹ። እቲ ኤጀንሲ ወሲኹ፡ከምዚ ዓይነት መልእኽቲ ዝበጽሖም ሰባት፡ ብፍላይ ኣድራሻ ካብ ዘይብሉ እንተኾይኑ ጥንቃቐ ክገብሩን፤ ዝኾነ ተመሳሳሊ ተግባር እንተሪኦም ቀልጢፎም ንዝምልከቶ መንግስታዊ ኣካል ከመልክቱን ኣጠንቂቑ። እቲ ነዚ ጸገም ምኽንያት ዝኾነ ኮምፒተር ግን ኣገልግሎት ኢንተርኔት ክቋረጽ ከምዝተገብረ ወሲኹ ሓቢሩ። እንተኾነ፡ እቶም ኢመይላት ካብ ሓደ ናይ ኤፍቢኣይ ሰራሕተኛ ዝተልኣኹ ይኹኑ ወይ ከኣ ካብ መጥቃዕቲ ሳይበር ሰርሰርቲ ኣትዮምዎ ይኹን ዛጊድ ኣይተነጸረን።","category":"ድሕነት ኮምፒተር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59279527"} {"headline":"ኲናት ሶርያ፡ ብዓሰርተታት ሽሕ ዝቑጸሩ እሱራት ደሃዮም ከምዝጠፍአ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ","content":"ንዓሰርተ ዓመት ኣብ ዝዘለቐ ኲናት ሶርያ ብኣልማሚት ዝተኣሰሩ ብዓሰርተታት ሽሕ ዝቑጸሩ ሰባት ዛጊት ኣብ ዝኣተውዎ ከምዘይተፈለጠ መርመርቲ ውድብሕቡራት ሃገራት ገሊፆም፡፡ ካልኦት ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተሳቕዮም ወይ ተቐቲሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ እውን ኣብቲ እቶም ተዋጋእቲ ሓይሊታት ገበናት ኲናትን ገበን ኣንፃር ሰብኣዊነትን ከምዝፈጸሙ ዝኸሰስ ፀብፃብ ተገሊፁ ኣሎ፡፡ ኣብቲ ጎንፂ ኣብ ልዕሊ ኣብ ክሊ ዕድመ 11 ዝርከቡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመፅ ሓዊሱ ‘‘ ክተሓስቦ ዝኸብድ ስቓይ’’ ከምዝተፀመ መሰኻኻር ዓይኒ ይዛረቡ፡፡ መንግስቲ በሽር ኣልዓሳድ፡ ኣብ 2011 ኣኣ ኣብታ ሃገር ንዝተልዓለ ሰላማዊ ተቓውሞ ብሓይሊ ደው ንምባል ስጉምቲ ምውሳዱ ስዒቡ ብዝተወለዐ ጎንፂ ሶርያ ናብ ዓዘቕቲ ኲናት ኣትያ፡፡ በቲ ደማዊ ኲናት ብውሑድ 380 ሽሕ ሰባት እንትሞቱ፤ ነታ ሃገር ገዲፎም ዝተሰደዱ ኣስታት 6 ሚልዮን ሓዊሱ ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ፡፡ ውጽኢት እቲ ብካውንስል ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶርያ ዝተገብረ ምርመራ፡ ንልዕሊ 2650 ሰባት ቃለመሕተት ብምክያድን ኣብ ልዕሊ 100 ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝገበረ መፅናዕትን ዝተምረተ እዩ፡፡ ሓይልታ መንግስቲ ተቓወምቲ፣ ጋዜጠኛታት፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ሰላማዊ ሰልፈኛታትን ብኣልማሚት ከምዝኣሰሩ ዝገልጽ ኣቦመንበር እቲ ኮምሽን ፓውሎ ፒንሄሮ፡ ‘‘ዕጡቓት ጉጅለታት፣ ሕቡራት ሃገራት ኣሸበርቲ ኢሉ ዝሰየሞም ከም ሓያት ታህሪር ኣልሻምን ኢስላሚክ እስቴትን ዝተባህሉ ጉጅለታት እውን ነጻነት ሰባት ምግሃስን ኣረሜናዊ ጥሕሰት ምፍጻምን ጀሚሮም’’ ይብል፡፡ ገለ እሱራት ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ንኣዋርሕ ብርሃን ጸሓይ ኣብዘይርእዩሉን ዝተጨናነቐን ክፍሊታት ከምዝተኣሰሩን ጽሬቱ ዘይተሓለወ ምግብን ማይን ክሰትዩ ከምዝተገደዱን ግልጋሎት ሕክምና ከምዝተኸልከሉን ተዛሪቦም፡፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስቅያት ከምዝተፈጸሞም ካብ ዝሓበሩ ሰባት ድማ ናይ እምነት ቃል ንክህቡ ከም ናይ ኤሌክትሪክ፣ ሓዊ ምቅጻል፣ ጽፍሪ ምንቃልን ኣሲርካ ምንጥልጣልን ዝኣመሰሉ 20 ዝአኽሉ መሳቐዪ መገዲታት ከምዝተፈጸሞም ገሊጾም፡፡ ‘‘ ቀጥቂጦምኒ፤ እቲ መርማሪ ድማ ‘ ኣብዚ ክንቀትለካ ንኽእል ኢና፡፡ ዝርእየካ ዋላ ሓደ ሰብ እኳ የለን፡፡’ ኢሉኒ’’ ይብል ካብቶም ቃሎም ዝሃቡ ብሓይሊታት መንግስቲ ተኣሲሮም ዝነበሩ ሓደ፡፡ ካልኦት ድማ በቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዝተፈጸሞም ማህረምትን ስቅያትን ንኣካላውን ስነ ልቦናውን ጸገም ከምዝተቓልዑ ገሊጾም፡፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ፡ መግረፍትን ጾታዊ ዓመጽን ከምዝተፈጸማ እትገልጽ ካልእቲ ሰበይቲ ድማ ‘‘ ብዘይ መቐበሊ ጽግያ (ዳይፐር) ክነብር ኣይክእልን፤ ኣብ ሙሉእ ኣካላተይ ቃንዛ ይስመዐኒ፡፡ ተስፋ እውን የብለይን፤ ህይወተይ ተበላሽዩ እዩ’’ ብምባል ቃላ ሂባ፡፡ እቶም ዕጡቓት ጉጅለታት እውን መሰል መግሃስቲ ከምዝፈጸሙ ዝሕብር እቲ ጸብጻብ፡ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ጥራዮም ክወጹ ብምግባር ኣብ ብልዕቶም ብኤሌክትሪክ ክሳቐዩ ከምዝተገበረን ጾታዎ ዓመጽ ከምዝተፈጸሞምን ምግላጾም ይሕብር፡፡ ብተወሳኺ እሱራት ብዘይ ቅኑዕ ስርዓተ ፍትሒ ከምዝተቐተሉ ሓበሬታ ምርካቦም መርምርቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ፡፡ ቁጽሪ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሞቱ ሰባት ብትኽክል ዝፍለጥኳ እንተዘይኮነ፡ ብዓሰርተታ ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ግን ኣብ ቀይዲ ሓይሊታት መንግስቲ ከምዝተቐተሉ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ኣሎ፡፡ መንግስቲ ሶርያን ሓያት ታህሪር ኣልሻም ዝተባህለ ጉጅለን ነቲ ንእሱራት ኣሳቕዮም ዝብል ጸብጻብ ነጺጎምዎ፡፡","category":"ድሕነት ኮምፒተር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/56249404"} {"headline":"ኦሜግል፡ ቆልዑ ኣብቲ ናይ ‘ቪድዮ ቻት’ ድሕረገጽ ገዛእርእሶም የቃልዑ ኣለው","content":"መጠንቀቕታ: እዚ ጽሑፍ፡ ረባሺ ጾታዊ ትሕዝቶ ኣለዎ ቢቢሲ ኣብቲ ህቡብነት እናረኸበ ዝመጽአ መርበብ ሓበሬታ ኦሜግል ብዝገበሮ መጽናዕቲ ትሕቲ ዕድመ ኣወዳት ኣብ ቅድሚ ዘይፈልጥዎም ሰባት፡ ብግሉጽ ንኣካላቶም ክተናኽፉ የቃልዕ ምህላው ኣረጋጊጹ። ኦሜግል ብገምሪ ሰባት ኣብ ማንዛ ተራኺቦም በቪድዮን ብጽሑፍን ከዕልሉ ዝገብር መርበብ ኮይኑ፤ ክትትል ከም ዝግበረሉ እኳ እንተሓበረ፡ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ዝኾነን ዘሰንብድን ትሕዝቶታት ብብዝሒ ከም ዝረኣዮ ይግለጽ። ንድሕነት ቆልዑ ዝጣበቑ ዓለምለኻዊ ጉጅለታት፡ በቶም ብመንገዲ እቲ መርበብ ናይ ተጠቀምቲ ትሕዝቶታት ጾታዊ ዓመጽ ዝምእርሩ ሃደንቲ ከም እተሻቐሉ ይሕብሩ። መስራቲ እቲ መርበብ ሓበሬታ፡ ለይፍ ኬ ብሩክስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ መርበቡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ናይ ምክትታል ጻዕርታቱ ከም ዘዛየዶ ተዛሪቡ። ሰምሩሽ ብዝተባህለ መጽናዕቲ ዘካይድ ትካል ዝተኣከበ ሓበሬታ ከም ዘርእዮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሓዊ በጻሕቲ እቲ መርበብ ካብ 34 ሚልዮን ናብ 65 ሚልዮን ዓብዩ ኣሎ። እቲ ዕብየት ብፍላይ ኣብ ሃገራት ኣሜሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ህንድን ሜክሲኮን ልዑል እዩ። ኣብ ብሪጣንያ ጥራይ 61% ዕብየት ክምዝገብ እንከሎ፡ ካብቶም ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናብቲ መርበብ ዝበጽሑ ሰባት 3.7 ሚልዮን ሰባት ዝበዝሑ ትሕቲ 34 ዓመት ኮይኖም ካብ መንጎኦም ብዙሓት ንኡሳት ይርከብዎም። ኦሜግል: ብዙሓት ሰዓብቲ ኣብ ዘለዎም ፍሉጣት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት መዘራረቢ ዛዕባ ካብ ዝኸውን ሰሙናት ተቖጺሮም ኣለው። ኣብ ቲክቶክ፡ \"ኦሜግል\" ዝብል ጽሑፍ ዝተለጠፎም ቪድዮታት ልዕሊ 9.4 ቢልዮን ጊዜ ተራእዮም ኣለው። ቲክቶክ፡ ብመሰረት ርኽበታት እዚ ብቢቢሲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ነቶም ናይ ኦሜግል ጥብቆ ዘለዎም ቪድዮታት ከም ዝኣገደ፡ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ዝኾነ ተጓዳኢ ናይ ኦሜግል ትሕዝቶ ኣብ መድረኹ ከም ዘይረኸበ ዝገለጸ ቲክቶክ ነቲ ቪድዮታት ምክትታል ክቕጽሎ ምዃኑ ግና ኣፍሊጡ። ጓል 15 ዓመት ኣሜሪካዊት ኬይራ ኣብዚ እዋን \"ኩሉ ተጠቃሚ ቲክቶክ ኣብ ኦሜግል ክኣቱ ግዜ ዘምጽኦ ኮይኑ ከም ዘሎ\" ብምግላጽ ንሳን መሓዙታን ክትምለሶ ምዃና ትዛረብ። ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ኣሜሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ኖርወይ፡ ፈረንሳ፡ ካናዳን ኣውስትራልያን ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ፡ ሓይልታት ፖሊስን ትካላት መንግስትን ብዛዕባ እቲ መርበብ ሓበሬታ መጠንቀቕታት ኣውጺኦም እዮም። ቢቢሲ ንከባቢ 10 ሰዓታት ኣብ ኦሜግል ኣብ ዝገበሮ ምክትታል፡ ደቂ ሸውዓተን ሸሞንተን ዓመት ምስ ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ክራኸብ ክኢሉ እዩ። ኦሜግል ተጠቀምቱ 18 ዓመትን ልዕሊኡን ክኾኑ ከም ዘለዎም እኳ እንተገለጸ፡ ከረጋግጸሉ ዝኽእል ዝኾነ ብልሓት ኣየቐመጠን። ቢቢሲ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰዓት፡ ብገምሪ ምስ 12 ግብረሕቡእ ዝፍጽሙ፡ ሸሞንተ ሕፍረቶም ዝቐልዑ ሰብኡትን፡ ሸውዓተ ናይ ወሲብ (ፖርኖግራፊ) መወዓውዒታት ረኺቡ። ኣብ ጾታዊ ተግባራት ዝሳተፉ ህጻናት ብገምሪ ክልተ ግዜ ብቪድዮ ግብረሕቡእ ምስ ዝፍጽሙ ቆልዑ ተራኺብና። እቲ ሓደ ወዲ 14 ዓመት ምዃኑ ይገልጽ። እቲ ኣጋጣሚታት ኣይቐረጽናዮን፡ ብቕልጡፍ ብምቁራጽ ንዝምልከቶም ሓቢርና። ኣፈኛ ሃገራዊ ማእከል ዝጠፍኡን ግዳያት ምምዝማዝ ዝኾኑ ቆልዑ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ \"እቲ ጾታዊ ዓመጽ ቆልዑ ዘለዎ ትሕዝቶ ዝረኸብኩምሉ ፍጥነት፡ ኣብ መድረኻት ማሕበራዊ መራኸቢ ዕድመ ምርግጋጽ ኣድላዪ ምዃኑ ከም ዘረጋግጽ\" ሓቢራ። ወናኒ እቲ ድሕረገጽ ዝኾነ፡ ሚስተር ብሩክስ፡ ቃላት ተጠቂምካ ኣብቲ ድሕረገጽ ትእልሸሉ ኣገባብ ከም ዝኣለዮ እኳ እንተሓበረ፡ ቢቢሲ ነዚ ከረጋግጽ ኣይከኣለን። 'ባዕላዊ ናይ ዓመጽ ትሕዝቶታት' እቲ ኣብ ኢንተርነት ጾታዊ ዓመጽ ቆልዑ ዘለዎም ስእልታትን ቪድዮን ረኺቡ፡ ናይ ምውጋድ ሓላፍነት ዘለዎ ትካል ምክትታል ኢንተርነት (IWF) ውጽኢት እቲ ቢቢሲ ዝገበሮ መርመራ ከም ዘሻቐሎ ሓቢሩ። \"ባዕላዊ ትሕዝቶታት ዓመጽ ኣብ ኢንተርነት ኣብ ፈቐድኡ ረኺብና ኣሎና፤ ነቲ ቪድዮ ካብ ኦሜግል ሰኒዶም ዝዝርግሕዎ ሃደንቲ እዮም\" ይብል ዳይሬክተር ርክባት እቲ ትካል ክሪስ ሃገስ። \"ገለ ካብቶም ዝረኣናዮም ቪድዮታት፡ ውልቀሰባት፡ ኣብ ፊት ካሜራ ጾታዊ ተግባራት ከፍጽሙ የርእይ፤ ዝበዝሕ ግዜ እቲ ተግባራት ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ምስ ወለዶም ዝቕመጡ እዮም ዝፍጽምዎ። ኣብ ገሊኡ እቶም ወለዲ ንደቆም ንሻሂ ክወርዱ ክጽውዕዎም፡ ብድሕሪት ዘረባ ትሰምዕ\" ኢሉ። ኣብ 2020 ልዕሊ 68,000 ጸብጻባት ናይ ባዕላዊ ጾታዊ ዓመጽ ትሕዝቶ ከም ዝነበረ ዝገልጽ ኣይ-ዳብሊው-ኤፍ፤ እዚ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ክወዳደር እንከሎ ብ77% ከም ዝዓበየ ሓቢሩ። ሓንቲ ተሞክሮኣ ንቢቢሲ ዘካፈለት ብሪጣንያዊት፡ ጓል ሸሞንተ ዓመት ጓላ ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ምስ ሓደ ሰብኣይ ንጾታዊ ተግባር ዳርጋ ተቐሲባ ምንባራ ሓቢራ። \"ጓለይ ብዙሓት ሰባት ኦሜግል ከም ዝጥቀሙ ዝገልጹ ገለ ቪድዮታት ብብዝሒ ኣብ ቲክቶክ ክዝርጋሕ ምስ ረኣየት፡ ነቲ ድሕረገጽ ፈቲሻ ረኺባቶ፤ ክትኣትዎ ኣዝዩ ቀሊል እዩ፤ ዝኾነ ናይ ዕድመ ቀይዲ'ውን የብሉን። \"እቶም ሰባት ኣዚኺ ጽብቕቲ ኢኺ ይብልዋ ነይሮም። ጓል ትሽዓተ ዓመት ጥራይ ምዃና እኳ እንተነገረቶም ንሳቶም እዚ ኣየጸገሞምን። ሓደ ሰብኣይ ግብረ ሕቡእ እናገበረ ርእያ፤ ካልእ ድማ ምስኣ ክጻወት ከም ዝደልይ ነጊርዋ። \"ክትስዕስዕን ክዳውንታ ክተውጽእን ሓቲትዋ [ብቪድዮ እናኣርኣየቶ]፤ ግና ኣይገበረቶን\" ኢላ። ቢቢሲ ንሰለስተ ኣዋርሕ ብተደጋጋሚ ንኦሜግልን መስራቲኡ ለይፍ ኬ ብሩክስን ንምርካብ እኳ እንተጸዓረ ንኦሜግል በቲ ድሕረገጽ ጌርካ ምርካብ ፈጺሙ ዘይከኣል ኮይኑ እዩ ረኺብዎ። ናብቲ ብሩክስ ምስ ካልኣዩ ብምዃን ዝመስረቶ ትካል ኦክቴን ኤ-ኣይ ዝተፈላለዩ ሽዱሽተ ኢመይላት ድሕሪ ምልኣኽ፡ ኣብ መወዳእታ ምላሽ ሂቡ። ንሱ መርበብ ሓበሬትኡ ክትትል ከም ዝግበረሉን፡ ትሕቲ 13 ዓመት ዝዕድሞኦም ሰባት ምስ ዝኣትው ኣብቲ መርበብ ከም ዝእገዱ ሓቢሩ። ንሱ ወሲኹ ኣብ 2020 ነቲ ናይ ምክትታል ጻዕርታት ከም ዘሐየሎ ተዛሪቡ። \"ምሉእ ብምሉእ ኣበር ኣልቦ ምዃን ዘይከኣል እኳ እንተኾነ፡ ኦሜግል ዝገብሮ ምክትታል ነቲ መርበብ ጽሩይ ክኸውን ጌሩ እዩ፤ ብዙሓት ሃደንቲ'ውን ናብ ሕጊ ክቐርቡ ኣኽኢሉ እዩ\" ኢሉ። እቲ ኣብቲ ድሕረገጽ ዝር ወሲባዊ መወዓውዒታት ፖርኖግራፊ፡ ዕድመ ኣብ ግምት ዘእተው ምዃኖም'ኳ ብሩክስ እንተገለጸ እቲ መርበብ መረጋገጺ ዕድመ ዝጥቀም ብዘይምዃኑ እዚ ብኸመይ ከም ዝግበር ኣየነጸረን።","category":"ድሕነት ኮምፒተር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56113123"} {"headline":"ደቡብ ኣፍሪቃዊት ተቓላሲት ብልሽውና 'ድሕነት ኣይስምዐንን' ትብል","content":"ኣብ ቀረባ ብልሽውና መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘቃልዐት ሰራሕተኛ መንግስቲ ባቢታ ዴካራን ተቐቲላ'ያ። እዚ ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ብልሽውና ንምቅላዕ ሚስጢር ዝህቡ ውልቀሰባት ማእለያ ዘይብሉ ጸገማት ከም ዝበጽሖም ዘርኢይ ምዃኑ ቢቢሲ ብዘካየዶ መርመራ ከረጋግጽ ክኢሉ ኣሎ። \"ሓለቓኻ\/ኺ ኣብ ብልሽውና ዝጥሓለ እንተኾይኑ እንታይ ይብሃል . . . እሞ ኽኣ እቲ ፕሬዝደንት'ውን ተኣሳሲሩ?\" ሞሲሎ ሞቴፑ፡ ውልቃዊ ድሕነት፣ ጽቡቕ ዜግነትን ስነ ምግባርን ንዝብሉ መልሲ ንምርካብ ኣብ ገዝኣ ዝሰቐለቶ ሕቶ'ዩ። ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ብእወ ኣይፋል ተወጢራ ግራ ኣትዩዋ ጸኒሑ፤ ድሓር ግን እቲ ዝርኣየቶ ብልሽውና ክተቃልዕ ወሲና። ኩሉ ነገር ከኣ ተቐይሩ። \"ድሕነት ኣይስምዓንን፤ ወትሩ ዝኾነ ሰብ ደድሕረይ ዝኽተሊ ዘሎ ስለ ዝመስለኒ ኣእምሮይ ኣይቀሰነን። ኣዝዩ . . . ኣዝዩ ኣጸጋሚ ግዜ'ዩ ኮይኑኒ\" ትብል። ብልሽውና ኣብ ምቅላዕ ትኽክለኛ ስራሕ'የ ሰሪሐ ዝብል እምነት እኳ እንተሃለዋ ዋጋ ኣኽፊሉዋ'ዩ። \"መጀመርታ እቲ ጸብጻብ ብደረጃ ሃገር ክወጽእ እዩ ዝብል ግምት ስለ ዝነበረኒ፡ ተሓተትቲ ዝኾኑ ሰባት ተታሒዞም ክእሰሩ'ዮም ዝብል ግምት ነይሩኒ። ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ከኣ ስራሕ ጀሚረ ስሩዕ ህይወተይ ክቕጽል'የ ዝብል ተስፋ ነይሩኒ። ግን ክኣ ንክልተ ዓመት ሙሉእ ካብ ስራሕ ቦዅረ ኣለኹ፤ እዚ'ዩ እቲ ዋጋ\" ትብል ንብዓት እናተሓናነቓ። ብ2015 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ሞቴፑ ዋና ዳይሬክተር ኩባኒያ ኢንቨስትመንት ትሪሊያን ነይራ። እዚ ምስቲ ነታ ሃገር ተቖጻጺሩዋ'ዩ ዝብሃል ማእከል ዓበይቲ ገበናት ብልሽውና ምዃኑ ዝዝረበሉ 'ጉፕታ ፋሚሊ' ዓብዪ ርክብ ዘለዎ ኩባኒያ'ዩ። እንተኾነ ዋላ ሓደ ተፈጺሙ ዝብሃል ገበን ይክሕድ። እዚ ኩባኒያ ናይ ሓሶት ፋክቱር ብምጥቃም ካብ መንግስታዊ ኩባኒያታት እታ ሃገር ሚሊዮናት ከም ዝዘመተ ይኽሰስ፤ ሞቴፑ ነዚ ክተጻሪ ጀሚራ። ብዛዕባ እዚ ንሓለፍታ ሓቲታ፤ ነዚ ትካል ተኣማኒት ምኾንኪ ሓላፍነት ክትወስዲ ትኽእሊ ነይርኪ ተባሂላ። ንሳ ግን፡ ሃይማኖታዊ እምነተይን ውልቃዊ ስብእናይን ትም ክብል ኣየኽኣሉንን ትብል። ስለ ዝኾነ ድማ ስራሕ ጠጠው ኣቢላ ዝሓዘቶ መረዳእታ ንዓቃቢ ሕጊ ኣሕሊፋ ሂባ። ሳላ ከምኣ ዝበሉ ብልሽውና ንምቅላዕ ተበግሶ ዝወስዱ ሰባት'ዩ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሰፊሕ ብልሽውና ክቃላዕ ዝርኣይ። ነዚኦም ገለ ሕጋዊ ከለላ ዝወሃቦም እኳ እንተኾነ፡ ሞቱፔ ግን ንድሕነታ ኣዝያ ትሰግእ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓላፊት ክፍሊ ፋይናንስ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ዞባ ጉተንግ ዝኾነት ባቢታ ዶካራን ብተደደጋሚ ብዝተተኮሰላ ጥይት ኣብ ደገ ኣፌት ገዝኣ ሞይታ ተረኺባ። ብቕትለት እዛ ውልቀሰብ ዝተጠርጠሩ ሽዱሽተ ሰባት ተኸሲሶም ኣለው። ንሳ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝውዕል መከላኸሊ ንምዕዳግ እቲ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ዝኣሰሮ ናይ 332 ሚሊየን ራንድ [23 ሚሊየን ዶላር] ውዕሊ ምትላል ተፈጺሙ'ዩ ብዝብል ኣብ ቀረባ ኣብ ዝተጀመረ ምጽራይ ምስክር ዓይኒ ስለ ዝኾነት ዒላማ ክትኸውን ከም ዝኽኣለት ጥርጣረ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ዝተቐተለትሉ ምኽንያት እኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ፕሬዝደንት ስሪል ራማፎሳ ግእ \"ጅግናን ሓርበኛን\" ክብል ገሊጹዋ። ናታ ቕትለት ክኣ \"እዚ፡ ኣብ ውሽጢ እዚ መንሽሮ [ንብልሽውና] ካብ ሃገርና ንምምሓው እንገብሮ ሓበራዊ ጻዕሪ ዘሎ ሽኻል ዘዘኻኽረና'ዩ\" ኢሉ። ስድራቤታ ግን ንህይወቶም ከም ዝሰግኡን ንመን ከም ዝኣምኑ ከም ዝተጸገሙን ንቢቢሲ ተዛሪቦም። ሞት ድካራን፡ ነዞም ብልሽውና ዘቃልዑ ሰባት ዝወሃብ ሓለዋ ትሑት ምዃኑ ዘርኢ'ዩ ዝብል ሕቶ ክለዓል ድማ ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ክኣ ብዙሕ ኣሎ። ካብ 2014 ክሳብ 2019 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ልዕሊ 106 ቢሊየን ዶላር ብብልሽውና ከም ዝጠፍአ ዩኒቨርሲቲ ስቴልቦሽ ዘካየዶ መጽናዕቲ ይሕብር። ኣብ ዝሓለፉ 18 ኣዋርሕ ድማ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቅላስ ዝተሰልዐ በጀት ተሰሪቑ። እዚ ኣካል እቲ ግዳይ ቕትለት ዝኾነት ዴካራን ዘቃልዐቶ ብልሽውና'ዩ። ብምኽንያት እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ብልሽውና ዜጋታት ተደጋጋሚ ሰልፍታት ተቓውሞ ከካይዱ እንከለው፡ ኣብ ልዕሊ ፕሬዝደንት ነበር ጄኮብ ዙማ ዘቕንዐ ይጥቀስ። ንሱ፡ ካብ 2009 ክሳብ 2018 ዓ.ም ኣብ ዘለው ዓመታት ኣብ ልዕሊ እቶም ብብልሽውና ዝኽሰሱ 'ጉፕታ ፋማሊ' ስጉምቲ ብዘይምውሳዱን ምስኦም ብዘለዎ ርክብን ይንቀፍ። ዙማ ግን ነቶም ተፈጺሞም ዝብሃሉ ስለ ዝነጽጎም ምጽራይ ቐጺሉ ኣሎ። ኣብዚ እዋን ደቡብ ኣፍሪቃ ብስሪል ራማፎሳ'ያ ትመሓደር ዘላ። እንተኾነ እቲ ስርቅን ዝምታን ጠጠው ኣይበለን፤ ክኢላታት፡ እዚ ጸገም ብልሽውና ክሳብ ክንደይ ሱር ዝሰደደ ምዃኑን ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ኔትዎርክ ዘለዎ ምዃኑን ዘርኢ'ዩ ይብሉ። \"እዚ ጸጋም ዳርጋ ለበዳ ኮይኑ'ዩ\" ኢሎም ዝኾነ ነገር ንምግባር ዓርሰ ተበግሶ ዝወስዱ ሰባት ክኣ ንርእሶም ኣብ ከቢድ ጸገምን ኣብ ሓደጋን ክኣትው'ዩ ዝስትውዓል። ፕሬዝደንት ራማፎሳ፡ \"ኣብ ሃገርና ነዚ ዘቃልዑ ሰባት ጽቡቕ ኣይረኽቡን፤ ብግቡእ ክንሕዞም ዘይምኽኣልና የጣዕሰኒ\" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። ማቴፑ፡ ካብ ዝበጽሓ ነገር ተበጊሳ እቲ ፕሬዝደንት ዝበሎ ሓቂ ምዃኑ ተረጋግጽ። \"ንገሊኦም ጅግና ኮይነ ክኸውን ይኽእል'የ፤ ስራሕ ዝህቡኒ ሰባት ግን ኣይቐርቡንን። በቲ ዝበጽሓኒ ሽግራት ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ኣጋጢሙኒ ሆስፒታል ደቂሰ'የ። ንወጻኢታት ሕክምና ዝኸውን ምድላው ኣይነበረንን። \"ናብ መን ክኸይድ፣ ንመን ክኣምን ዝብል'ውን ኣይፈልጥን፤ ጽልዋ ምስ ዘለዎም ሰባት'የ ገጢመ። ሕጊ ክከላኸለኒ ኣይክኣለን፤ ዘለኒ መማረጺ ንብሕተይ ምቅላስ'ዩ\" ትብል። ኣብታ ሃገር፡ ከም ሞቴፑ ዝበሉ ሰባት ስርሖም ንከይስእኑ ዝከላኸል ሕጊ ኣሎ'ዩ፤ እንተኾነ ክንድቲ ዝድለ ውጽኢታዊ ከም ዘይኮነ ነቐፍቲ ይዛረቡ። ካብ 2015 ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ ሓለፍቲ ኣብያተ ጽሕፈት ወይ ፖለቲካ ዝነበሩ ልዕሊ 850 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሓደ መጽናዕቲ ገሊጹ። መብዛሕትኦም ኣብታ ሃገር ኣብ ዝካየዱ መርመራታት ብልሽውናን ገበንን መሰኻኽር ዝኾኑ ወይ ሓበሬታ ዝሃቡ ከም ዝኾኑ ይሕብር። ሃገራዊ በዓል መዚ ዓቃቢ ሕጊ ግን መንግስቲ ድሕነት እዞም ሰባት ኣብ ምሕላው ሰኒፉ'ዩ ዝብል ኣይቕበሎን። ኩሎም ናጽነቶም፣ ስድራቤቶምን ውልቃዊ ረብሕኦምን ገዲፎም ብልሽውና ንዘቃልዑ ሰባት ግን መንግስቲ እንታይ ይገብረሎም'ውን ኢልናዮ። ንኹሎም ክንሕልዎም ኣይንኽእልን፤ ዓርሶም ንምሕላው ክገብሩዎ ዝግባእ ንነግሮም ኢና፤ እቲ በዓል መዚ ድሩት ሓለዋ እዩ ክገብር ዝኽእል ዝብል ክብል ብጽሑፍ ምላሽ ሂቡ። ሞቴፑ ብዛዕባ እቲ ትሰርሐሉ ዝነበረት ኩባኒያ ዝሰርሖ ብልሽውና ካብ እትዛረብ ኣርባዕተ ዓመት ሓሊፉ። እቶም በዚ ጉዳይ ክሕተቱ ዝግብኦም ጉፕታ ግን ናብ ዱባይ ከይዶም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ህይወታ ዳግም ንኽዕሪ ድልየት ኣለዋ፤ ብዙሓት ኣንጻር እዚ ሃገር ዘዕኑ ዘሎ ብልሽውና ንክዛረቡ ምትብባዕ ክፈጥረሎም'ዩ ዝበለቶ \"Uncaptured\" ዝሰመየቶ መጽሓፍ ድማ ጽሒፋ ኣላ።","category":"ድሕነት ኮምፒተር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58591027"} {"headline":"ፔጋሰስ ስፓይዌር፡ ከይተፈለጠና ኩላትና ሰለልቲ ንኸውን ኣለና ዲና?","content":"ኣብዚ ሰሙን ፔጋሰስ ዝተባህለ ናይ ስለላ ሶፍትዌር ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት፣ ተሓለቕቲ መሰላትን ፖለቲካዊ መራሕትን ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ምስ ተባህለ፡ ስለላ ዓብዪ ዕዳጋ ይኸውን ከይህሉ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ። እዚ ሶፍትዌር ዝመሃዘ ኩባኒያ ኤንኤስኦ ግሩፕ [NSO Group] ይብሃል። እዚ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ኩባኒያ ንምልካውያን መንግስትታት ዝሸጦ ናይ መሰለዪ ሶፍትዌር (ስፓይዌር) ኣብ ዙርያ ዓለም ኣብ ቁጽሪ ቴለፎን ኣስታት 50 ሽሕ ፍሉጣት ሰባት ክትትል ክገብር ምጽንሑ ዝለሓዀ ሓበሬታ ክገልጽ ቀንዩ። እቲ ኩባኒያ ግን ክሳብ ሕጂ ንዝቐርብሉ ዘለው ክስታት ይነጽጎም ኣሎ። ቅድም ኢሉ ዝተራቐቐ ቴክኒካት ስለያ ተጠቂመን ክትትል ዝገብራ ሃገራት ውሑዳት'የን ነይረን። ሕጂ ግን ይሰፍሕ ከም ዘሎን ኣብዚ ናይ ኢንተርነት ዓለም ብዛዕባ ውልቃዊ ሚስጥርናን ድሕነትን ዚያዳ ክንጭነቕ ዝገብር ኩነታት ይምዕብል ከም ዘሎ ይስጋእ። ኣብ ቀረባ ግዜ ድማ ሓደ ኣገልግሎት ድሕነት ብዛዕባ ንጥፈታት ነፍሲ ወከፍና ክፈልጥ እንተደልዩ ዘይተጋነነ ሚዛናዊ ዝኾነ ጻዕሪ ምግባር ጥራሕ'ያ እትኣኽሎ። እዚ ማለት ብቐሊሉ ዝርርባትናን ናይ ሓበሬታ ምልውዋጣትናን ዝከታተለሉ ምስ ቴሌፎንናት ምጽንጻን፡ ገመድ ክላገብ ዝሕግዞ ፍቓድ ምርካብ ወይ ኣብ ገዛና ሓሰኻ ክኣቱ ምግባር ወይ'ውን ዝከታተለና ጉጅለ ስለያ ምውፋር እያ ተድልዮ። በዚ ዝርዝር ኣብ ውሽጢ ቴሌፎንና ዘለው ኮነ ኣነባብራና ንምፍላጥ ግን ግዜን ዓቕልን ክሓቶም'ዩ። ሕጂ፡ እቲ እቶም ሰለልቲ ክፈልጡዎም ዝደልዩ - እንታይ ከም እንዛረብ፣ ናበይ ከም ዝኸድና ወይ ኣበይ ከም ዝነበርና፣ ምስ መን ተራኺብና፣ እንታይ ንፈቱ? ዝብል ከይተረፈ ኣብታ ወትሩ ካብ ኢድና ዘይትፍለ ቴሌፎን'ዩ ዘሎ። ስልክና፡ ብዘይ ዝኾነ ምትንኻፍን ካብ ፍላጥና ወጻኢ ብዝኾነ መገድን ካብ ርሑቕ ካልእ ሰብ ክፍትሻ ይኽእል። ኣብዚ ግዜ ብዲጂታላዊ ሓገዝ ተጣቢቦም ምስ ቴሌፎን ካልእ ሰላሊ ክትራኸብ ይገብሩ። እዚ ብርሑቕ ኮይንካ ናይ ካልእ ሰብ ቴሌፎን ምስርሳር ምኽኣል ውሑዳት ሃገራት ጥራይ ክገብሮ ዝኽእላ ተባሂሉ'ዩ ዝውሰድ ነይሩ። ይኹን'ምበር እቲ መንግስታትን ትካላት ስለያን ጥራሕፖለቲካውን ወተሃደራውን ሚስጥራት ንምርካብ ዝጥቀምሉ ዝነበረ ሜላ ኣብ ኢድ ብዙሓት ሃገራት፣ ውልቀሰባትን ንኣሽቱ ጉጅለታትን ኣትዩ ይርከብ። ሰራሕተኛ ትካል ስለያ ኣመሪካ ዝነበረ ኤድዋርድ ስኖውደን ብ2013፡ ዓቕሚ ኤጀንሲታት ስለያ ኣመሪካን ብሪጣንያንን ንዓለም ክቃላዕ ምግባሩ ይዝከር። እዞም ኤጀንሲታት ንፍቓድ ዴሞክራሲ ሃገርን ፍቓድን ተገዛእቲ ምዃኖም ይገልጹ። እንተኾነ እቲ ፍቓድ ድኹም ስለ ዝነበረ ካብ 2013 ንድሓር ክጠናኸር ተገይሩ። ኤድዋርድ ስኖውደን ንኣሰራርሓ ስለያ እዞም ትካላት ምቅልዑ ግን ካልኦት ሃገራት እንታይ ክገብራ ከም ዝኽእላ ከሰላስላ መገዲ ከፊቱለን። ብዙሓት ከኣ ተመሳሳሊ ዓቕሚ ከጥርያ ዝሕግዙወን ኩባኒያታት ክሓርያ ጀሚረን፤ መብዛሕትኦም ግን ብሚስጢር ዝተትሓዙ'ዮም። እስራኤል ብሳይበራዊ ዓቕምን ልዑል ስለያን ወትሩ ኣብ ቅድሚት ትጽራሕ። ከም ኤንኤስኦ ግሩፕ ዝበሉ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኩባኒያታት ከኣ ኣብ ዓለም ሰለልቲ ብዝነበሩ ጡረተኛታት ዝተመስረቱ ስለ ዝኾኑ ዕቑር ቴክኒካዊ ክእለትን ዓቕምን ዘለዎም እዮም። ኤንኤስኦ ግሩፕ ናይ ስለላ ስራሕ ዘሳልጡ ሶፍትዌራት ምሻጥ ቀንዲ ስርሑ ከም ዝኾነ ብምግላጽ፡ እዚኦም ኣብ ልዕሊ ከበድቲ ገበናት ዝፍጽሙን ኣሸበርትን ዝውዕሉ ምዃኖም ይገልጽ። ብስርዓት ምልኪ ዝመርሑ መንግስታት ወይ ሃገራት ጋዜጠኛታት፣ ተሓለቕቲ መሰላትን ተቓወምትን ስግኣት ሃገራዊ ድሕንትን ገበነኛታትን እዮም ብምባል ይኸሱዎም። ኣብ መብዛሕቲአን እዘን ሃገራት ከኣ ድሩት ወይ ውሑድ ተሓታትነት ስለ ዘሎ ከም ፒጋሰስ ዝበሉ ሶፍትዌራት ተጠቒምካ ብሚስጢር ናብ ናይ ውልቀሰባት ቴሌፎን ምእታው ይዓቢ'ሎ። ቴሌፎን ምድዋል ኣውራ መገዲ ኮምዩኒኬሽን ኮይኑ እናሃለወ ሓደ ኩባኒያ ቴሌኮም እቲ ዝርርብ ክጠልፎ መምርሒ ክወሃቦ ይኽእል። ኣብዚ ሕጂ እዋን ብቴሌፎን እንገብሮም ዝርርባት 'ኢንክሪፕትድ' እዮም ይብሃል፤ እዚ ማለት እንታይ ከም ዝተባህለ ንምፍላጥ ናብቲ ቴሌፎን ባዕሉ ወይ መተግበሪ ክኣትው ዝግደድሉ'ዩ። ሃገራት ሓሓሊፉ ነዚ ብዝገርም ኩነታት ከፈጽምኦ ይስትውዓል። ንኣብነት ኣብ ቀረባ ኣመሪካን ኣውስትራልያን ብሓባር ኣብ ዘካይድኦ ስርሒት፡ ሓደ ጉጅለ ገበን ኣዝዩ ውሑስ ኢሉ ዝገመቶ ቴሌፎናት ክወሃቦ ገይረን'የን። እቲ ብከም ፒጋሰስ ዝበሉ ናይ ስለያ ሶፍትዌራት ዝፍጸም ጉዳይ ግን ካብዚ ዝዘለለ'ዩ። እቶም ኣብ ኢንተርነት ነዚ ንምክልኻል ዝውዕሉ ንርእሶም ግዳያት ይኾኑ ኣለው። ኣብ ሕሉፍ ሰርሰርቲ ናብቲ እትጥቀመሉ ስርዓት ኮምፒዩተር ኣትዮም ብምጭዋይ ዓጊቶም ብምሓዝ ንክኸፍቱልካ ገንዘብ ይሓቱ ነይሮም፤ ሕጂ ግን ከም ሓደ ኣገልግሎት ክሽየጥ ጀሚሩ ኣሎ። ሓደ ውልቀሰብ ብቐሊሉ ከስቢ ንክማቐሎም ይሰማማዕ፤ ንሳቶም ከኣ ጸገም እንከጋጥሞ ናይ ስልኪ ኣገልግሎት ዝረኽበሉ ዕድል ብምምችቻእ ነቲ መተግበሪ ምስ ሓገዙን መሳርሒኡን ይህቡዎ። ብካልኦት መገዲታት ድማ ዘለኻሉ ቦታ ምጥላፍን ናይ ሰባት ዕለታዊ ምንቅስቓስን ባህርያቶምን ዝሓዘ ሓበሬታ ምድላውን ኣሎ። እዚ ቅድሚ ሕጂ ፍሉይ ጻዕርን ሓላፍነትን ዝሓትት ዝነበረ ሕጂ ብናጻ ኣብ ኢንተርነት ዝርከብ ኮይኑ ኣሎ። ኣብዚ እዋን ስለላ ናይ መንግስታት ጥራሕ ኣይኮነን። ኩባኒያታት'ውን እንታይ ንሰርሕ ምህላውና ክፈልጡ ይኽእሉ'ዮም። እዚ ዝስልለና ሶፍትዌር ብምትካል ዘይኮነ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እንፈትዎ ነገር ጥራይ ብምርኣይ ናይ ስለላ ቑጠባ ተጠቒሞም ኩነታትና ክፈልጡ ይኽእሉ። እዚ ኩሉ ኩባኒያታት ክጥቀምሉ ዝኽእሉ ዳታ ይፈጥር፤ እዚ ግን ሰርሰርቲ'ውን ናይ ምስራቕ ተኽእሎ ኣለዎ፤ መንግስታት ከኣ ናብዚ ክኣትው ክደልዩ ይኽእሉ። ነዚ ዘፈጽሙ ናይ ስለላ ሶፍትዌራት ድማ ኣብ ዕዳጋ ይሽየጡ ኣለው። ብፍላይ ኣባላት ስድርኦም ኣብ ምንታይ ከም ዝውዕሉ ክፈልጡ ዝደልዩን ተጠራጠርቲ ዝኾኑን ሰባት ይጥቀሙሎም። እዚ ማለት፡ ኩላትና ሰለልቲ ናብ እንኾነሉ ምዕራፍ ንሰጋገር ኣለና፤ ማዕረ ማዕሪኡ ከኣ ንስለል ምህላውና ክንዝንግዕ የብልናን።","category":"ድሕነት ኮምፒተር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57914080"} {"headline":"ልዕሊ 200 ትካላት ኣመሪካ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ተፈጺምወን","content":"ልዕሊ 200 ትካላት ኣመሪካ ‘ኮሎሳል’ ብዝተህባለ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመን ክፍሊ ምክልኻል ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ገሊጹ። ኣብ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ትካላት ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ ንትካላት ገንዘብ ምሕታት ብተደጋጋሚ ይረአ ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ። እቶም ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ጉጅለ፡ መጀመርታ ኣብ ፍሎሪዳ ዝርከብ ካሰያ ዝተባህለ ናይ ኮምፒተር ማእከል እዮም ኣጥቂዖም፤ ብድሕሪኡ ናብተን ናይቲ ማእከል ‘ሶፍትዌር’ ዝጥቀማ ትካላት ቀጺሎም፡፡ ትካል ካሰያ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ዝተፈጸመ ‘ሓደገኛ’ ዝበሎ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ የጻርዮ ከምዘሎ ንዓማዊሉ ሓቢሩ። ነቲ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ራሽያ ዝመደበሩ ረቪል ዝተባህለ ጉጅለ ፈጺምዎ ክኸውን ከምዝኽእል ክፍሊ ምክልኻል ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ገሊጹ ኣሎ። እቲ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ፡ መብዛሕትአን ትካላት መዓልቲ ናጽነት ኣመሪካ ንምጽንባል ኣብ ዝሸባሸባሉ ዝነበራ ዓርቢ ምሸት እዩ ተፈጺሙ። ትካል ካሰያ፡ እቲ ንዴስክቶፓትን ናይ ኔትዎርክ ኣገልግሎት ዝህብ ክፋል እቲ ትካል በቶም ሰርሰርቲ ተጠቒዑ ከምዘሎ ገሊጹ ኣሎ። እቲ ትካል ‘ቪኤስኤ’ ዝጥቀሙ ዓማዊሉ፡ ሰርቨራቶም ክዓጽዉ ተማሕጺኑ ኣሎ። ትካል ካሰያ ኣብ መግለጺኡ ካብተን ንሱ ናይ ኔትዎርክን ሰርቨርን ኣገልግሎት ዝህበን ትካላት 200 ትካላት ተመሳሳሊ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ተፈጺምወን ከምዘሎ ሓቢሩ ኣሎ። እተን ትካላት በዓል መን’የን ንዝብል ሕቶ ቢቢሲ፡ ትካል ካሰያ ዝርዝራዊ መልሲ ክህብ ፍቃደኛ ኣይኮነን። ትካል ካሰያ፡ ኣብ ልዕሊ 10 ሃገራት ንልዕሊ 10 ሽሕ ዓማዊል ኣገልግሎት ዝህብ ግዙፍ ማእከል ኮምፒተር’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ቭላዳሚር ፑቲንን ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝተራኸብሉ፡ ጆ ባይደን ንቭላዳሚር ፑቲን እቲ ካብ ሩስያ ዝፍጸም ሳይበራዊ መጥቃዕትታት ደው ክብል ክጽዕር ተማሕጺንዎ ነይሩ። እቲ ኣብ ሩስያ ዝመደበሩ ረቪል ዝተብሃለ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ዝፍጽም ጉጅል ሶዲኖኪቢ እናተብሃለ’ውን ይጽዋዕ’ዩ፡ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ጉጅለታት እቲ ዝተፈለጠን ብዙሕ ገንዘብ ዘኻዕበትን ጉጅለ’ዩ። ኣብ ወርሒ ግንቦት ነቲ ኣብ ዓለም ብቀረብ ስጋ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ጃይቢኤስ ዝተባህለ ትካል እቲ ጉጅለ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመሉ እዩ ኤፍቢኣይ ዝገልጽ። እዚ ረቪል ዝተባህለ ጉጅል ኣብ 2019’ውን ኣብ ቴክሳስ ዓሰርተታት ትካላት መንግስቲ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ክፍጸም ባይታ ከምዘጣጠሐ’ውን ይኽሰስ’ዩ።","category":"ድሕነት ኮምፒተር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57705520"} {"headline":"ኣብ ዝተፈላለዩ ነገራት እትጥቀሙሉ ምስጢራዊ ቃል [ፓስወርድ] ክሳብ ክንደይ ትተኣማመኑሉ?","content":"ብውልቀሰባት ወይ ብትካላት ዝውነኑ ኤመይላት ከምኡ’ውን ማሕበራዊ መራኸብታት ምስጢራዊ መሕለፊ ቃሎም [ፓስወርድ] ከምዝተሰበረ ማለት ‘ሃክ’ ከምዝተገበረ ዝገልጹ ዜናታት ምስማዕ ዝተለመደ’ዩ። እዚ ብብዙሕ ምኽንያታት ከጋጥም ከምዝኽእል ሰብሞያ እቲ ዓውዲ ይሕብሩ። ኮምፒተርኩም ወይ ሰነድኩም ካብ ጉሓሉ ክሕሎ ዝሕግዝ ትሕዝቶና እነሆ። እትጥቀምሉ ናይ ኮምፒተር፣ ኢመይል፣ ማሕበራዊ መራኽብታትን ካልእን ምስጢራዊ መሕለፊ ቃል ጥንኩርን ዘተኣማምንን እንተዘይኮይኑ ንጉሕለት ተቓላዕቲ ከምዝኾንኩም ኣስተውዕሉ። እቶም ጉሓልቲ ነዚ ዕድል እንተረኺቦም ሓበሬታኹም ናብ ኣደባባይ ካብ ምቅላዕ ክሳብ ብገንዘብ ምድርዳር ይበጽሑ። ሰብሞያ ከምዝሕብርዎ እቶም ሰርሰርቲ ብሰለስተ ዝተፈላለዩ መገዲታት ንፓስወርድኹም ብምስባር ናብ ኮምፒተርኩም ክኣትዉ ይኽእሉ። እቲ ብስፍሓት ዝፍለጥ ፊሺንግ ስካም [Phishing scams] ብዝብል ዝፍለጥ ኮይኑ ናይ ሓደ ዝፍለጥ ትካል ዌብሳይት ብምልኣኽ ወይ ሎተሪ ከምዝተዓወትካ ብምግላጽ ኮድ ንኽተእትው ብምሕታት ይፍጸም። ካልኣይ ስልቲ ድማ ብግምት ብዝገብርዎ ፈተነ እዩ። ብዙሓት ሰባት 123456 ዝብል ኣዝዩ ዝቐለለ ምስጢራዊ መሕለፊ ቃል ከምዝጥቀሙ ይግለጽ። ነዚ ዝገብርሉ ምኽንያት ከኣ ከይርስዕዎ ብምስጋእ’ዩ። ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 23.3 ሚልዮን ሰባት ኮምፒተሮም ንምኽፋት ዝጥቀሙሉ ፓስወርድ 123456 ዝብል ከምዝኾነ ብመጽናዕቲ ተረጋጊጹ’ሎ። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተገበረ ሓደ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ ድማ፡ ብዙሓት ሰባት ንኮምፒተሮም ዝጥቀምዎ ምስጢራዊ መሕለፊ ቃል ተመሳሳሊ ኮይኑ ተረኺቡ። ከምዚኦም ዝበሉ ብቐሊሉ ክግመቱ ዝኽእሉ መሕለፊ ቃል ድማ ኮምፒተራት፣ ኢመይል፣ ማሕበራዊ መራኸብን ካልእን ብቐሊሉ ንጓሓሉ ዝተቓልዑ ይገብሩ። ሰብሞያ ኮምፒተር ከምዝብልዎ ቁጽርታት ብመስርዕ ብምቕማጥ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ናይ ሰባት ስም ምጥቃም እውን ካልእ ኣዝዩ ዝተለመደ ኣጠቓቕማ ፓስወርድ እዩ። ምልስ ኢልና ነቲ እንጥቀመሉ ፓስወርድ ንዘክር፤ ናይ ደቅና ወይስ ናይ በዓልቲ ቤትና ስም፤ ናይ ኣዴና ወይስ ኣቦና፤ ‘Love’ ወይ ‘I love you’ ዝብል ተጠቒምና’ዶ ንኸውን? እዚ ዓይነት ኣጠቓቕማ ፓስወርድ ንስራሕ እቶም ሰርሰርቲ ዘቕልል’ዩ። እቲ ካልእ ሰባት ብብዝሒ ዝጥቀሙሉ ምስጢራዊ ቃል ነቲ ‘password’ ዝብል ቃል ክኸውን ከሎ፡ ካልኦት ብዙሓት ድማ 111111 ዝብል ቁጽሪ ይጥቀሙ። ናይ ፍሉጣት ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ፣ ተጻወትቲ፣ ናይ ብዓልቶም ስም ወይ መዓልቲ ልደቶም ወይ ናይ ኣባላት ስድርኦም መዓልቲ ልደት ከም ምስጢራዊ መሕለፊ ቃል ዝጠቀሙ ሰባት’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። እቶም ሰርሰርቲ ወይ ናይ ኮምፒተር ጓሓሉ ነዞም ምስጢራዊ ቃላት ብቐሊሉ ክረኽብዎም እንተዘይኪኢሎም ዓቕሞም ብዝሓሸን ዝማዕበለን መገዲ ወዲቦም ምምላሶም ኣይተርፍን። ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰከንድ 8 ቢልዮን ምስጢራዊ መሕለፊ ቃል ከፍርይ ዝኽእል ፕሮግራም ብምጥቃም ናብ ኮምፒተራት ክኣትዉ ይኽእሉ። በዚ መገዲ ከኣ ሽድሽተ ፊደላት ንዘለዎም ምስጢራዊ ቃላት ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰከንድ፡ ከምኡ ድማ 12 ቃላት ንዘለዎም ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ደቒቓ ሰይሮም ይኣትዉ። ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሎን ናብ ኮምፒተርኩም ኮነ ናብ ኢመይልኩም ዝመጽኡ ሓበሬታታት ብጥንቃቐ ክትከታተልዎምን ክትምርምርዎምን ይግባእ። እቶም ሰርሰርቲ ናብ ኮምፒተርኩም ክኣትዉ እንተኺኢሎም፡ ካልእ ሰብ ክረኽቦ ዘይትደልይዎ መረዳእታ ብቐሊሉ ምስረኸብዎ ጉድኣት ከብጽሑልኩም ከምዝኽእሉ ኣስተውዕሉ። እዚ ጥራሕ ዘይኮን ናብ ናትኩም ኣካውንት ብምእታው ናብ ካልኦት ሰባት መልእኽቲ ክልእኹን ዝምድናታትኩም ከበላሽዉን ይኽእሉ’ዮም። ስለዝኾነ ዘይርሳዕ ግን ኣዝዩ ዘተኣማምን (ጥንኩር) ምስጢራዊ መሕለፊ ቃል ምጥቃም ኣገዳሲ ይኸውን። · ብቐሊሉ ዝግመት ነገር ኣይትጠቐሙ - ናይ እትፈትውዋ ወይ እትድግፍዋ ጋንታ ስም ምጥቃም ዝምከር ኣይኮነን። ይተርፍ ናይታ እትድግፍዋ ናይታ ዘይትፈትውዋ ጋንታ’ውን እንተኾነ ክትጥቀሙ የብልኩምን። ካብ ስም ርሕቕ ዝበለን ንምግማት ዘጸግምን ቁሩብ ዝተሓላለኸ እንተዝኸውን ይምረጽ። · ቃል ዘይኮነስ ሓረግ ምረጹ - ምስጢራዊ ናይ መሕለፊ ቃላት ቁሩብ ንውሕ ዝበሉ እንተኾይኖም ንምግማት ኣጸገምቲ’ዮም። ስለዝኾነ ቃላት ዘይኮነስ ሓረጋት ምጥቃም ይምረጽ። · ነኣሽቱን ዓበይትን ፊደላት ሓዋዊስካ ምጥቃም [lower and upper cases] – ምስጢራዊ መሕለፊ ቃል ኣብ እተዳልዉሉ እዋን ንኹሎም ብነኣሽቱ ወይ ብዓበይቲ ፊደላት ጥራይ ተጠቒምኩም እንተኾይንኩም ንስራሕ እቶም ጉሕለት ዝፍጽሙ ሰርሰርቲ ኣቕሊልኩምሎም ማለት’ዩ። ስለዚ ካብ ክልቲኦም ሓዋዊስካ ምጥቃም የድልይ። · ቁጽርታትን ምልክታትን ወስኹሉ - እትጥቀሙሉ ምስጢራዊ መሕለፊ ቃል ኣዝዩ ጽኑዕ ክኸውን እንተደሊኹም፡ ቁጽርታት ምስ ምልክታት ሓዋዊስካ ምእታው ተመራጺ ይኸውን። · ብዛዕባ ምስጢራዊ መሕለፊ ቃል ንዝኾነ ይኹን ሰብ ዘይምዝራብ - ንኣብነት ምስ ካልኦት ሰባት ሓበራዊ ኮምፒተር ትጥቀሙ እንተኾይንኩም ጥንቃቐ ምግባር፤ ኮምፒተር ከይዓጸውካ ዘይምኻድ፤ ንመሓዛ ወይ መሳርሕቲ ፓስወርድ ዘይምሃብ።","category":"ድሕነት ኮምፒተር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57788396"} {"headline":"ኣብ ዋንጫ ዓለም ኣኽባሪ ጸጥታ ኰይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ነበር","content":"ኣብ ቐጠር ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም ኣቓልቦ ፈተውቲ ስፖርት ዓለም ስሒቡ ኣሎ። ብዙሓት ኣብቲ ውድድር ንዝተሳተፋ ሃገራቶም ብደገፍ ከማሙቝ እንከለዉ፡ ገለ ከኣ እቲ ውድድር ብሰላም ንኽውዳእ ኣብ ውሽጢ ስታድዮማትን ኣብ ደገን ጸጥታ ኣብ ምኽባር ጸጥታ ተጸሚዶም ይርከቡ። ሓደ ካብኦም እምበኣር ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ነበር ኤርትራዊ ጀማል መሓመድብርሃን’ዩ። ኣባል ቀዳማይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝዀነ ጀማል መሓመድብርሃን፡ 1996 መወዳእታ’ዩ፡ በቲ ዝነበሮ ሞያ ስርሓት ሳሎን [ታፒሰሪ] ተጠሊቡ ናብ ሃገረ ቐጠር ኣትዩ። ካብ 1997 ክሳብ 2004 ብሞያኡ ኣብ ሓንቲ ትካል ድሕሪ ምስራሕ፡ ካብ 2004 ክሳብ 2007 ናብ ኣንጎላ ከይዱ፡ ብድሕሪኡ ናብ ቐጠር ተመሊሱ። እቲ ዝሰርሓሉ ክፍሊ ተክኒክ ፖሊስ ቐጠር ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን፡ ኣብ ምእንጋድ ዋንጫ ዓለም ዝርከብ ኰይኑ፡ ካብ ኵሉ ክፍልታት ፖሊስ ተመሪጾም ኣብ ዋንጫ ዓለም ኣኽበርቲ ጸጥታ ኰይኖም ክሰርሑ ካብ ዝተመረጹ ጀማል ሓደ እዩ። ጀማል ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ “ስራሕና ቅድሚ ጸወታ፡ ኣብ እዋን ጸወታን ድሕሪ ጸወታን ጸጥታ ውሽጥን ከባብን ስታድዮም ምሕላው’ዩ” ኢሉ። “ብሓፈሻ ሸሞንተ ስታድዮማት’ዩ ዘሎ፡ ካብዚ እቲ ኣርባዕተ [ኣ’ቱማማ፡ ኣ’ጅኑብ፡ ኣሕመድ ቢን ዓሊን ከሊፋን] ስታድዮማት ናባና ዝቐረበ’ዩ፣ ኣነ ኸኣ ኣብ ስታድዮም ከሊፋ’የ ዝሰርሕ ዘለኹ፡” ይብል። ጀማል፡ እቲ ናቶም ክፍሊ ኣብ ውሽጢ ስታድዮም፡ ኣብ ኣፍደገ፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ‘ፓርኪን’ ጸጥታ ኣብ ምኽባር ከምዝሰርሕ’ውን ይሕብር። ኣብ ምኽባር ጸጥታ፡ ካብ ቐጠር ጥራይ ዘይኰንና ካብ ወጻኢ’ውን ዝመጽኡ ከምዘለዉ ዝሕብር ጀማል፡ ቐጠር “ማዕረ እቲ ንስታድዮማት ብምህናጽ ዝገበረቶ እኹል ምድላዋት፡ ኣብ ጸጥታ’ውን ኣዝዩ ጽፉፍ ስርሓት’ዩ ተሰሪሑ” ብምባል ይገልጽ። ቐጥር ኣብ ዋንጫ ዓለም ልዕሊ 50 ሽሕ ኣኽበርቲ ጸጥታ ከምዘዋፈረትን ካብኦም ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ ቐጠር ዝሰርሑ ካብ ወጻኢ ዝምጽኡ’ውን ከምዘለዉ ሮይተርስ ኣብ ናይ 3 ሕዳር ሕታሙ ንሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ጠቒሱ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ። ወሃቢ ቓል እቲ ሚኒስትሪ ጃብር መሓሙድ ጃብር ኣ’ንዋሚ “እዞም ኣብ ምኽባር ጸጥታ ተዋፊሮም ዘለዉ ካብ ደገ ዝመጽኡ ሰባት፡ ምኩራት ኰይኖም ካብ ፈተውቲ ሃገራት ዝመጽኡ’ዩ ተኣዛዝነቶም ካብ ቐጠር’ዩ፡” ኢሉ። ቱርኪ ብወገና፡ 3000 ጸረ-ተቓውሞ ፖሊስ ኣብ ምኽባር ጸጥታ ዋንጫ ዓለም ኣዋፊራ ምህላዋ ብምግላጽ፡ እቶም ፖሊስ ብቐጥታ ብቱርኪ ዝእዘዙ ምዃኖም ሮይቶርስ ኣብ ገጻቱ ኣስፊሩ  ነይሩ። ጀማል እታ ሃገር ብብዝሒ ተዓዘብቲ ኵዕሶ እግሪ ኣዕለቕሊቓ ምህላዋ ብምግላጽ፡ ምስ ብዝሖም ግን ዝዀነ ጸገማት መጓዓዝያ ከምዘየለ ይገልጽ። “ካብን ናብን ስታድዮማት ዘመላልሳ ኣውቶቡሳትን ባቡራትን ኣለዋ፣  ነፍሲ ወከፍ ስታድዮም ኣስታት 80 ዝኸውን መእተዊ ስለዘለዎ፡ ሰብ ከከም ቁጽሪ ትኬቱ ከሳብ እታ ኣፍደገ ስታድዮም ብኣውቶቡስ’ዩ ዝኸይድ፡ ብዘይ ዝዀነ ጽቅጥቅጥ ከምዛ ናይ ኣየርፖርት መፈተሺ ኣሎ ተተፈቲሹ ይኣቱ፡” ብምባል ነቲ ዘሎ ኣካይዳ የረድእ። ጀማል ክሳብ ሕጂ ናብቲ ተጻወተቲ ዝኣትውሉ ቦታ ስለዘይተመደበ፡ ንዝዀነ ተጻዋታይ ናብ ሜዳ ክኣቱ እንከሎ ከምዘይርኣየ ኸኣ ይሕብር፤ “ተጻወትቲ ዝኣትውሉ ቦታ ፍሉይ’ዩ ‘ቪኣይፒ’ ዝኣትውሉ’ውን ብተመሳሳሊ ፍሉይ ሕዙእ’ዩ ክሳብ ሕጂ ኸኣ ኣነ ናብኡ ኣይተመደብኩን ኣለኹ።” ኣብ 1972 ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ጀማል፡ እዋን ንእስነቱ ኣብ ምህራም ጭራ’ዩ ኣሕሊፍዎ። ወዲ 13 ዓመት ምስ ኮነ ምስ ስድራኡ ናብ ከባቢ መደበር ገዛ ቀይሮም። ኣቦኡ መሓመድብርሃን፡ ኣብ ከባቢ እንዳ ማርያም፡ ጐደና ኣፍዓበት፡ ኣብታ ፍሉጥን ዝውቱርን ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ዝካየደሉ ዝነበረ ከባቢ፡ ኣብ ጥቃ መጀመርን መዛዘምን ሕንጻጽ እንዳ ስርሓት ሳሎን ስለዝነበሮም፡ ጀማል’ውን ኣሰር ኣቦኡ ስዒቡ ኮምፕላስዮን ገይሩ ኣብ ትካሎም ክውዕል ጀሚሩ፤ ጐኒ ጐኒ ስርሑ ከኣ ነቲ ኣብ ኣፍደገ ስርሖም ዝካየድ ኮርሶ ክዕዘብ ጀመረ። በዚ ዝጀመረ ፍቕሪ ብሽክለታ፡ ንሱ’ውን ሓንቲ መዓልቲ ከምቶም ኣብቲ ጐደና፡ ኣብ ዝባን ዚንጐን ሽባኻታትን ሓዂሩ  ዝርእዮም ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ንኽኸውን ዓቢ ድሌት ክሓድሮ ጀመረ። “እቲ እዋን በዓል ሰላምቢኒ፡ በዓል ዘርእጋብርን ካልኦትን ዝቐዳደምሉ ዝነበረ እዋን’ዩ፡ ቀዳም ምሸት ነቲ ጽርግያ መዕጸዊ ዝኸውን ሓጻውን ኣብ ኣፍደገ ስራሕና ክራገፍ እንከሎ መዓስ’ዩ ሰንበት ዝኣክል ኢልና ተሃንጢና ንሓድር ነይርና፡” ይብል ጀማል። “ኣብ 1986 ኣብ ናይ ‘ኣቫንቲ’ [ተራ ብሽክለታ] ጀሚረ ብሽክለታ ምስ ተገዛኣትለይ ከኣ ኣብ ናይ ህጻናት ጀሚረ።” ኣስዒቡ ጀማል፡ “ኣብ ክፍሊ ህጻናት እንከለና በዓል ስብሓት፡ ቢንያም እዮብ፡ ረዘነ፡ ኣሻዒሎን ካልኦትን ዝነበርዎ ውድድራት ኣዝዩ ውዕዉዕን ምቐርን’ዩ ነይሩ፣ ኣብኡ ቻምፕዮን ምስ ኣበልኩ ናብ ማእከሎት ሰጊረ። ናይ መጀመርታ ወግዓዊት ጋንታይ ከኣ ‘ክራይ ቤቶች’ [ክራይ ኣባይቲ] እያ ነይራ ናብኣ ተጸንቢረ። ነዛ ጋንታ እዚኣ ዝመርጽክሉ ደጋፊ የማነ ተኸስተ ስለዝነበርኩ’የ።” ጀማል ብዘጋጠሞ ምጭብባጥ ጅማት ኣብ እግሩ መጥባሕቲ ስለዝተኻየደሉ፡ ንሓደ ዓመት ካብ ጸወታ ደው ኢሉ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት ከኣ ናብ ዓበይቲ ተሰጋጊሩ ምስ ውሩያት ተቐዳደምቲ ክወዳደር ጀሚሩ። ሓደ ካብኦም የማነ ተኸስተ [ገበል] እዩ ነይሩ። “ምስ ክራይ ኣበይቲ ኣብ ጐድኒ የማነ ተኸስተ፡ ኣተሽም ሓየሎም፡ ዘርእዝጊ ገብርሂወት፡ ስብሓትን ካልኦትን ኰይነ ክሳብ 1993 ተጻዊተ፤ የማነ ተኸስተ ኣብ ሱዳን ክሳብ ዝሞተሉ ከኣ ኣብታ ጋንታ ብሓደ ነይርና።” ጀማል ብድሕሪ’ዚ ነታ ንመወዳእታ ግዜ ካብ ቅድድም ብሽክልታ ንኽእለ ምኽንያት ዝዀነት መዓልቲ’ዩ ዝዝከራ። እቲ እዋን ኣብ መወዳእታ 1993 ኰይኑ ኣብ መዛዘሚ ሕንጻጽ ባሕቲ መስከርም’ዩ ነይሩ። “ድሕሪ የማነ እታ ጋንታ ናብ ኣልታሕሪር ተቐይራ፣ ንሕና ከኣ ብሙሕየዲን ሸንገብ ትምራሕ ናይ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያት ኤርትራ እትምእከል ጋንታ ሸቢባ ትበሃል ጋንታ ኣቍምና፣ ንሓደ ዓመት ጽቡቕ ተጻዊት። ኣብ መወዳእታ 1993 ኣብ ቮላታ ባሕቲ መስከረም ከቢድ መውደቕቲ ስለዘጓነፈኒ ንሕክምና ክሳብ ናብ ስዑድያ ከይደ። በዚ ኸኣ ካብ ውድድር ብሽክለታ ኣቋሪጸ፡” ይብል። ኣብ ውድድር እንከሎ ኣዝያ በዳሂት ውድድር ኣየነይቲ ምንባር ኣብ ዝተሓተተሉ፡ “ኣነ ካብ ዝዝከሮ ድሕሪ ናጽነት ንመጀመርታ ናይ በረኻ ውድድር ኣብ ዝጀመረሉ፡ ሰገነይቲ በጺሕካ ምምላስ ዝነበራ ኰይና፡ ንዓይ ከኣ ኣብ ናይ ዓበይቲ ፈለማየይ’ዩ ነይሩ።” ብምባል ይዝክራ። ኣብቲ ውድድር ደሳለን ነጋሽ፡ ሚኪኤለን ዮናስ ዘካርያስ ብምዃን ኣብ ዓቐበት ደቀምሓረ በቲኾም ስለዝወጽኡ፡ ጀማል ምስ ቢንያም በርሀ ብምዃን ንበዓል ደሳለኝ ንምርካብ ብብንያም በርሀ እናተተባበዐ፡ ሓሙሻይ ኰይኑ ዝወድኣላ ውድድር እታ ዝሓየለት ውድድር ምንባራ ይዝክር። ዮናስ ዘካርያስ ማዕረ ሽሙ በታ ሓላባይ እትብል ሳጓኡ’ዩ ዝፍለጥ። እሳ ሳጓ እዚኣ ዮናስን ጀማልን ኣብ ምድብ ህጻናት እናተወዳደሩ እንከለዉ፡ ንዮናስ ዘካርያስ እንዳ እስታላ ከምዘለዎም ዝፈለጠ ጀማል፡ ሓላባይ ትብል ሳጓ ከምዘጠመቘ፡ ዮናስ ዘካርያስ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ገሊጹ ነይሩ። ጀማል ኣብ መጀመርታ ናጽነት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል፡ ለካቲት 1992 ኣብ ጋሕቴላይ ተበጊሱ ኣብ ውሽጢ ጥዋለት ሓያለ ዙራት ብምዅላል ዝዛዘም ውድድር ኣብ ዝተኻየደሉ’ውን፡ ኣብ ቀዳመይቲ ጕጅለ ደሳለ ነጋሽ፡ ሳሙኤል ዘካርያስ፡ ዮናስ ዘካርያስ፡ ቢንያም በርሀን ኣሻዒሎን ብምዃን ጕጅለ ብምፍጣር ዘካድዎ ውድድር’ውን ካብቲ ዝዝክሮ ውድድር ምዃኑ ይሕበር። “ዮናስ ዘካርያስ ኣብ ቮላታ ማኒብሮ ብምስባሩ ክኣቱ ኣይከኣለን፣ ደሳለኝ ነጋሽ ቀዳማይ፡ ቢንያም በርሀ ካልኣይ ኣነ ኸኣ ሳልሳይ ኴንና ተኸታቲልና ኣቲና፣ የማነ ተኸስተ’ውን ሽዕኡ ምሳና ነይሩ’ዩ፡ ኣብ  ሓደ ጋንታ ኢና ኔርና” ብምባል፡ ንገለ እዋናት ጸወታኡ ይዝክር። የማነ ተኸስተ ሓደ ካብቶም ኣብ ታሪኽ ብሽክለታ ኤርትራ ግሉሕ ታሪኽ ዝሰነዱ ተቐዳደምቲ ኰይኑ፡ ኣብ መጀመርታ ዓመታት ናጽነት ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ወኪሉ ኣብ ሱዳን ውድድር እናኣካየደ እንከሎ’ዩ፡ ኣብ መንጐ ውድድር ብወቕዒ ወዲቝ ሞይቱ። የማነ ተኸስተ፡ ኣብ 1987 ቻምፕዮን መላእ ኢትዮጵያ ክኸውን ዝኸኣለ ምኩር ተቐዳዳማይ’ዩ ነይሩ። ኣብ ጐኒ የማነ ኰይኑ ዝተጻወተ ጀማል’ውን፡  “የማነ ተኸስተ ንዓይ ዳርጋ ኣቦይ’ዩ፣ ልዕሊ እቲ ሰብ ክጻወት እንከሎ ዝርእዮ፡ እቲ ንዓና ዝህበኒ ዝነበረ ሞራል’ዩ ዝዓቢ” ብምባል ይዝክሮ። ኣስዒቡ፡ “የማነ ኣብ ጐልጐል ይዅን ኣብ ዓቐበት ምሉእ ተጻወታይ’ዩ ነይሩ፣ ዋላ ወዲቝ፡ ብሽክለታ ተባላሽያቶ ብኒሕ ንቐዳመይቲ ጕጅለ ናይ ምርካብ ክእለቱ ኣዝዩ ዝድነቕ’ዩ ነይሩ።” ጀማል ካብቲ ወትሩ ንየማነ ዝዝክረሉ ክገልጽ እንከሎ፡ “ወትሩ ካብ ዝዝክሮ፡ እዋን ሮሞዳን’ዩ ነይሩ፣ ጾም’ዩ ውድድር ከቋርጽ’የ ምስ  በልክዎ፡ ንዓይን ንኣሻዒሎን ለይቲ ካብ ሰዓት ሓደ ክሳብ ሰዓት ሓሙሽተ ወጋሕታ ኣብ ውሽጢ ከተማ ልምምድ ኣግቢሩ፡ ኪዱ በሊዕኩም ደቅሱ ይብለና፣ ምስቶም ዝተረፉ ተቐዳደምቲ ኸኣ ካልኣይ ልምምድ ንበረኻ ሒዝዎም ይኸይድ።” ብዛዕባ እዞም ሕጂ ዘለዉ ተቐዳደምቲ ኣድናቘቱ ክገልጽ እንከሎ ጀማል፣ “ኣብ ግዜና ነቲ ቅድድም ብሽክለታ ብዘይ ትምህርቲ ኢና ንካይዶ ነይርና፡ ካብ ቀዳሞት ናብ በዓል ሳላምቢኒ፡ ካብኡ ናብ በዓል ዘርእጋብር፡ ካብኡ ናብ በዓል የማነ ካብኡ ናባና ከምኡ እናበለ’ዩ እናተወራረሰ መጺኡ” ብምባል “ኣብ ግዜና መሳለጥያታት ኣይነበረን ግን ሓይሊ ነይሩ፡” ይብል። ኣስዒቡ፡ “እዞም ሕጂ መጺኦም ዘለዉ ‘ሸባብ’ ከኣ ማሽኣላህ ብመሳለጥያ፡ ብብልሕን ብትምህርትን ኣዝዮም ዝበሰሉ’ዮም፡ ሳላ ከምኡ ዝዀነ ኸኣ ብዙሓት ፕሮፈሽናላት ክፈርዩ ክኢሎም ኣለዉ።” ኮርሶ ብሓፈሻ ኣብ ሰለስተ ከምዝኽፈልን፡ ንሱ ከኣ ናይ ቅጽበታዊ ውድድር፡ ንወዲ ጋንታኡ ስሒቡ ናብ መስመር ሕንጻጽ ዘብጽሕ ከምኡ ከኣ ናይ ዓቐበት ከምዝዀነ ጀማል ይሕብር። ኣብ ልዕሊ ኵሎም ናይ ቅድም ናይ ሕጅን ተቐዳደምቲ ዓቢ ናእዳ ከምዘለዎ ዝገልጽ ጀማል፡ “ኣነ መርሃዊ ቅዱስ ኣጸዋውታኡ ኣዝዩ’ዩ ዝምሰጠኒ፡ እቲ ዘለዎ ሓይሊ ፍሉይ እዩ፣ ኣብ ዝኣተዎ ውድድር ብብቕዓት’ዩ ዝዛዝም፡ ቢንያም ግርማይ ከኣ በዚ ዘለዎ ህሉው ብቕዓት ኣዝዩ ዝምስጠንን ዘተኣምምነንን ተቐዳዳማይ’ዩ፡” ይብል። “ግድን ስም ክረቍሕ ስለዘለኒ’የ እምበር ክልቲኦም ናትናኤል፡ ሄኖክ፡ ኤማ፡ ኮታስ ኵሎም እዞም ሃገሮም ዘጸውዑ ዘለዉ ንሕና ካብ ኮረሻ ምስ ወረድና ዝተወለዱ ተቐዳደምቲ ዓቢ ናእዳ’ዩ ዘለኒ፣ ኵሎም ከኣ ነናቶም ብልጫ ኣለዎም። ንዕኦም ተኸቲሎም ከኣ ብሕጂ ብዙሓት ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምቲ ከምዝፈርዩ እምነተይ’ዩ” ዕላሉ ዛዚሙ።","category":"ድሕነት ኮምፒተር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c283m383dgmo"} {"headline":"ኣማዞን ሰራሕተኛታቱ ቲክ-ቶክ ከይጥቀሙ ዝጠልብ ኢመይል 'ብጌጋ'ዩ ተሰዱዱ' ይብል","content":"ኩባንያ ዕዳጋ ኢንተርነት ኣማዞን፡ ሰራሕተኛታቱ ናይቲ ትካል ኢመይል ኣብ ዝኸፍቱሉ ሞባይል ቴለፎናት፡ ነቲ ቪድዮ ዝዝርግሕ መተግበሪ (ኣፕ) 'ቲክቶክ' ክድምስሱ ዝጠልብ ኢመይል፡ ብጌጋ ከም ዝሰደደ ኣፍሊጡ። እቲ ዓርቢ ንጉሆ ንሰራሕተኛታት ኣማዞን ዝተሰደደ ኢመይል፡ ብምኽንያት ናይ ጸጥታ ስግኣት ነቲ መተግበሪ ካብ ሞባይላቶም ክድምስሱ ዝሓትት እዩ ነይሩ። ብቻይናዊ ኩባንያ ዝውነን መተግበሪ 'ቲክቶክ'፡ ሓበሬታ ናብ ቻይና የቐብል እዩ ዝብል ስግኣት ፈጢሩ ቀንዩ እዩ። ቲክቶክ ግና ብዛዕባ ሻቕሎት ኣማዞን ዝፈልጦ ከም ዘይብሉ ኣፍሊጡ። \"ሎሚ ንጉሆ ንገለ ሰራሕተኛታትና ዝተሰደደ ኢመይል ብጌጋ እዩ። ብዛዕባ ቲክቶክ ብዝምልከት ኣብዚ እዋን ኣብ ፖሊሲታትና ዝኾነ ሓድሽ ነገር የሎን\" ክብል ወሃቢ ቃል ኩባንያ ኣማዞን ንቢቢሲ ተዛሪቡ። እንተኾነ ግና እቲ ብዓርቢ ናብ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ዝተሰደደ ብርክት ብዝበላ መራኸቢ ብዙሓን ዝተርኣየ ኢመይል፡ እቲ መተግበሪ ካብ ቴለፎናት ክድምሰስ ዘገድድ እዩ ነይሩ። \"ብምኽንያት ናይ ጸጥታ ስግኣት፡ መተግበሪ ቲክቶክ: ናይ ኣማዞን ኢመይል ኣብ እትርእዩሉ ሞባይል ምጽዓን ኣይፍቀድን እዩ። \"ቲክቶክ ጽዒንኩም እንተለኹም፡ እሞ ኢመይልኩም ክትከፍቱ እንተደሊኹም፡ ክሳብ ሓምለ 10 ክትድምስስዎ ኣለኩም\" ይብል። ቲክቶክ ግና ቅድሚ እቲ ኢመይል ምዝርግሑ ካብ ኣማዞን ዝኾነ ሓበሬታ ከም ዘይበጽሖ ኣፍሊጡ።","category":"ድሕነት ኮምፒተር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53375397"} {"headline":"ገጻት ትዊተርን ዩትዩብን ሰራዊት ብሪጣንያ ብሰርሰርቲ ተጠቒዖም","content":"ሰራዊት ብሪጣንያ ዝጥቀመሎም ናይ ትዊተርን ዩትዩብን ገጻት ብዘይተፈልጡ ኣካላት ከም ዝተሰርሰሩን ነዚ ስዒቡ መርመራ ይካየድ ከም ዘሎን ተገሊጹ። እቲ ሰራዊት፡ ናይ ዩትየብ ገጹ ብሰርሰርቲ ምስ ተጠቕዐ፡ ስእሊ ቢሊዮነር ዓለምና ኢለን መስክ ዝሓዙ ምልክታት ክሪፕሮካረንሲ ተራእዮም። ኣብ ትዊተር ከኣ፡ ብብዝሒ ምስ ኤሌክትሮኒካዊ ወፍሪ ስራሕቲ ጥበብ -ኤንኤፍቲ - ዝተሓሓዙ መልእኽታት ተዘርጊሖምሉ። እቲ ሰራዊት፡ ዝጥቀመሎም ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዘይተፈልጠ ኣካል “ከም ዝተሰርሰሩ” ብምግላጽ ኣብ ድሕነት ሓበሬታ “ጥቡቕ ቁጽጽር” ከም ዝገብርን ነቲ ዘጋጠመ ጸገም ፍታሕ ንምርካብ ይሰርሕ ከም ዘሎን ገሊጹ። ኣብዚ እዋን ክልቲኦም ገጻት ናብ ትሕቲ ቑጽጽር እቲ ሰራዊት ከም ዝኣተው ተፈሊጡ። ወሃቢ ቃል እቲ ሰራዊት “እቲ ዘጋጠመ ክስተት ዝምልከት መርመራ ይካየድ ስለ ዘሎ ሕጂ ርኢይቶ ምሃብ ኣድላዪ ኣይኰነን” ኢሉ። ክሳብ ሕጂ መን’ዩ ነዞም ማሕበራዊ መራኸቢታት ሰርሲሩዎም ዝብል ኣይተፈልጠን፣ ሽም እቶም ኣካውንታት’ውን ተቐይሩ’ዩ ነይሩ። እቲ ናይ ትዊተር ገጽ ‘ባፔስክላን’ ብዝብል ሽም ተቐይሩ ስእሉ’ውን ንህበይ ብዝመስል ናይ ካርቱን ስእሊ ተተኪኡ ጸኒሑ። እቲ ሰራዊት፡ ትማሊ ሰንበት፡ ነቲ ናይ ትዊተር ገጽ ካብቶም ሰርሰርቲ መንዚዑ መሊሱ ከም ዝተቖጻጸሮ ተሓቢሩ። “ኣብ ገጽና ኣጋጢሙ ንዝነበረ ጸገም ይቕሬታ ንሓትት። እንታይ ከም ዘጋጠመ ንምፍላጥ መርመራ ክንገብር ኢና፤ ስለ ዝስዓብኩምና ብምምስጋን ኣገልግሎትና ናብ ንቡር ተመሊሱ ኣሎ” ኢሉ። ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ብመገዲ ቢትኮይን ብዝግበር ምትላል ብዝመስል ኩነታት፡ ኣካውንታት ኢለን መስክ፣ ጄፍ ቤዞስ፣ ቢል ጌትስ፣ ባራክ ኦባማ፣ ጆ ባይደንን ካኒዬ ዌስትን ዝርከቡዎም ኣገደስቲ ዝብሃሉ ገጻት ትዊተር ኣመሪካውያን ተጨውዮም ምንባሮም ይዝከር።","category":"ድሕነት ኮምፒተር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cxxwddzw4k2o"} {"headline":"ቻይና ንኬንያ ዝለኣኸቶም ላፕቶፕ ኮምፒተራት ዝጸዓነ ኮንተይነር ጥርሑ ተረኺቡ","content":"ሰበስልጣን ከም ዝሓበርዎ እቲ ኮንተይነር መዕሸጊኡ ከይተለዓለ'ኳ እንተጸንሐ፡ እተን ላፕቶፓት ግን ኣብ ውሽጢ ኣይተረኸባን። እቲ ህያባት ዝጸዓነ ኮንተይነር ምስቲ ዝተልኣኻ ላፕቶፓት ክርከቡ ኣብ ትጽቢት'ኳ እንተጸንሑ፡ ዋላ ሓንቲ ኣብ ውሽጢ ኣይረኸቡን። ነቲ ኮንተይነር ቆሊፉ ዝነበረ መዕሸጊ ከይተለዓለ፡ እዚ ክፍጠር ምኽኣሉ ድማ ዘገርም ክስተት ኮይኑ'ሎ። ፖሊስ ኬንያ እዚ ከመይ ክኸውን ከመይ ክፍጠር ከም ዝኸኣለ ግልጺ ከም ዘይኮነሉ ኣፍሊጡ። \"ኮንተይነር ጥርሑ ብመርከብ ተጻዒኑ ካብ ቻይና ናብ ኬንያ ከመይ ክበጽሕ ከም ዝኸኣለ ንምግማቱ ዘጸግም'ዩ\" ኢሉ ዋና ሓላፊ መምርሒ ምርመራ ፖሊስ ኬንያ ጆርጅ ኪኖቲ። ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ናይ ክልትኤን ሃገራት ኣባላት ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ እተን ላፕቶፕ ኮምፒተራት ናብ ኬንያ ከም ዝለኣኻ ተገሊጹ ነይሩ። ኣብ ወርሒ ሓምለ ናብ ኬንያ ክበጽሓ ትጽቢት እናተገበረ'ዩ እቲ ኮንተይነር ጥርሑ ዝተረኸበ። ኣብ ኬንያ ዝርከብ ኤምባሲ ቻይና ብወገኑ እተን ላፕቶፓት ተጻዒነን ምዃነን ከም ዝተሓበሮ ኣፍሊጡ። ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ድማ \" ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ኬንያ እቲ ኮንተይነር ጥርሑ ከም ዝተረኸበ ምስ ኣፍለጠና ሰንቢድና ኢና\" ክብል ሓቢሩ። ዋና ሓላፊ መምርሒ ምርመራ ፖሊስ ኬንያ ጆርጅ፡ ፖሊስ ነቲ ጉዳይ ከጻርይ ከም ዝጀመረ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።","category":"ድሕነት ኮምፒተር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49196165"} {"headline":"\"ኣብ ክልልና ተዓጢቑ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ ደው ከነብሎ ኢና\" መንግስቲ ክልል ኦሮምያ","content":"ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣብ ዝጅምር ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያ ጀሚሩ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ተዓጢቑ ዝንቀሳቐስ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ደው ከብሎ ከም ዝተዳለወ መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ኣፍሊጡ። ወሃቢ ቃል መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ኣቶ ኣድማሱ ዳምጠው ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ መንግስቲ እቲ ክልል ቆላሕታ ገይሩ ኣብ ዝሰርሓሎም ጉዳያት መብርሂ ሂቡ። ቆጽሮም ኮነ ዝተዓጠቕዎ መሳርሒ ኵናት ብዕሊ ዘይፍለጥ ዕጡቓት ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ) ኣብ ምዕራብን ደቡብን ኦሮምያ ከምዝንቀሳቐሱ ዝፍለጥ እዩ። ቅድሚ ሕዚ ኦነግ ነዞም ኣባላት ሰራዊት እዚኦም ከም ዘይፈልጦም መግለጺ ዝሃበ ኮይኑ፡ እቶም ሰራዊት እውን ምስ ኦነግ ዋላ ሓንቲ ምትእስሳር ከም ዘይብሎም ገሊጾም ነይሮም። ኣዛዚ ሰራዊት ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ናይ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ ኩምሳ ድሪባ (ጃልመሮ) ንሱ ዝመርሖ ሓይሊ ዕጥቃዊ ቃልሱ ከምዝቕጽል ብተደጋጋሚ ንቢቢሲ ምግላጹ ዝዝከር እዩ። ኣቦ መንበር ግንባር ሓርነት ኦሮምያ (ኦነግ) ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ብወገኑ ኦነግ ዕጡቕ ሓይሊ ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ ነይሩ። ከም ሓበሬታ ኣቶ ኣድማሱ እንተኾይኑ፤ ቀንዲ ቆላሕታ መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ጸጥታን ድሕንነትን ኦሮምያ ምውሓስ እዩ። \"ሕጊ ዝጠሓሰ ዝኾነ ይኹን ኣካል ናብ ሕጊ ክቐርብ እዩ፤ ኣብ መጻኢ ዓመት ሕጊ ጥሒስካ ክትነብረላ ዘይትኽእል ኦሮምያ እነመስክረሉ ዓመት እዩ\" ክብል እውን ወሲኹ ሓቢሩ። ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ይእሰሩ ኣለዉ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ እቲ ወሃቢ ቃል \"ቅድሚ ሕዚ ዝውገኑ ዝነበሩ ስራሕቲ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕቲ እዮም\" ክብል መሊሱ። ጉዳይ መረጻ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ክካየድ ትልሚ ዝተትሓዘሉ ሃገራዊ መረጻ ኣብ እዋኑ ንኽካየድ ድልየት መንግስቲ ክልል ኦሮምያን ንዕኡ ዘመሓድር ዴሞክርስያዊ ፓርቲ ኦሮምያን ከምዝኾነ ኣቶ ኣድማሱ ዳምጠው ኣጣሊሉ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን \"እቲ መረጻ ዲሞክርስያውን ብዘይ ገለ ናይ ጸጥታ ጸገምን ንኽሰላሰል መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ክሰርሕ እዩ\" ኢሉ። ኣብ መዓልቲ 8 ሰዓታት ጥራይ ብምስራሕ ጠለባት ህዝቢ ምምላእ ስለዘይክኣል ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ተወሰኸቲ 5 ሰዓታት ንምስራሕ ድልዋት ከምዝኾኑ ሓቢሩ።","category":"ድሕነት ኮምፒተር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49550215"} {"headline":"ሶማሊያ-ትምህርቲ፡ ዩኒቨርሲቲ ሶማሊያ ኣብ 30 ዓመት ፈላሞት ተምሃሮ ኣመሪቑ","content":"ሃገራዊ ዩኒቨርሲቲ ሶማሊያ፡ ኣብ ውሽጢ 30 ዓመት፡ ንፈለማ እዋን ተምሃሮ ኣመሪቑ። እዚ ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ፡ ኣብታ ሃገር ኲናት ሕድሕድ ምስተወልዐ፡ ኣብ መጀመርታ 1990ታት ተዓጽዩ፡ ዳግም ኣብ 2014 ተኸፊቱ። ትማሊ ሰኑይ ድማ፤ ልዕሊ 130 ተምሃሮ ብዲግሪ ንምምራቕ በቒዑ። ኣብ 2014፡ 550 ተምሃሮ ጥራሕ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ክምዝገቡ እነከለዉ፡ ኣብ 2018 እዚ ቑጽሪ ናብ 5,070 ዓብዩ። ብዙሓት ተምሃሮ ግን፤ ምስ ድሕነትን ጸጥታን እታ ሃገር ዝተትሓሓዘ ስግኣት ኣለዎም። ተመራቒት ተምሃሪት ዩስራ ዖስማን ሻሪፍ፡ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ እቲ ዓብዪ ማሕለኻ'ዩ ኢላ። \"ትምህርቲ ክጅምር ከለኹ፡ መለለዪ መንነተይ ይሓብኦ ነይረ። ዝኾነ ሰብ ኣበየናይ ዩኒቨርሲቲ ከም ዝምሃር ክሓተኒ ከሎ ድማ፡ ኾነ ኢለ ዘጋጊ ሓበሬታ ይነግሮ ነይረ\"።","category":"ድሕነት ኮምፒተር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48754577"} {"headline":"ሰሜን ኮርያ፡ 'ብመጥቃዕቲ ሳይበር ክልተ ቢሊዮን ዶላር ሰሪቓ'","content":"ሰሜን ኮርያ ናይ ኣጽዋር መደባታ ብገንዘብ ንምሕጋዝ መጥቃዕቲ ሳይበር ብምፍጻም ክልተ ቢሊየን ዶላር ሰሪቓ ይብል ልሒኹ ዝወጽአ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት። እዚ ሚስጢራዊ ጸብጻብ፡ ፒዮንጊያንግ ገንዘብ ንምእካብ ባንክታትን ናይ ክሪፕቶ ካረንሲ ምልውዋጣትን ተጠቒማ'ያ ኢሉ። እዚ ንቢቢሲ ዘረጋገጹ ምንጪታት ድማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት 35 መጥቃዕታት ሳይበር ክምርምር'ዩ ጸኒሑ ኢሎም። ብሰሉስ፡ ሰሜን ኮርያ ክልተ ሚሳይላት ዘወንጨፈት ኮይና፡ ዳርጋ ክልተ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ኣርባዕተ ግዜ ኣወንጪፋ'ያ። ብሮቡዕ ኣብ ዝወጽአ መግለጺ መንግስቲ እታ ሃገር ድማ፡ ፕሬዝደንት ኪም ጆንግ-ኡን እቲ ምውንጫፍ ሚሳይል፡ ጥሙር ወተሃደራዊ ታዕሊም ንዘካይዳ ዘለዋ ሃገራት ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን መጠንቀቕታ'ዩ ምባሉ ይዝከር። ሰሜን ኮርያ፡ እዚ ምንቅስቓስ ንስምምዓት ሰላም ዝጥሕስ'ዩ ክትብል'ውን ገሊጻቶ። እቲ ልሒኹ ዝወጽአ ናብ ባይቶ ጸጥታ ኮሚቴ ማዕቀብ ሰሜን ኮርያ እቲ ውድብ ዝተልኣኸ ጸብጻብ፡ ሰሜን ኮርያ \"ንእተካይዶም ዝተሓላለኹ መጥቃዕታት ንምሕጋዝ ካብ ፋይናንሳዊ ትካላት ገንዘብ ሰሪቓን፡ ገንዘባዊ ምንጪ ንምርካብ ድማ ምልውዋጥ ክሪፕቶ ካረንሲ ተጠቒማን\" ኢሉ። ካብ 2006 ጀሚሩ ባይቶ ጸጥታ ሰደድን ኣታውን ኣብ ልዕሊ እትገብሮም ምህርታት ማዕቐብ ኣንቢሩ።","category":"ድሕነት ኮምፒተር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49260773"} {"headline":"ቤትምኽሪ ጆሃንስበርግ ብቢትኮይን ክኸፍል ዝተሓተቶ መበጆ ነጺጉዎ","content":"ሰብ መዚ ዝዓበየት ከተማ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ጆሃንስበርግ፡ ነቲ ብሰርሰርቲ ዝተሓተተ፡ ኣርባዕተ ቢትኮይን (34,000 ዶላር) መበጆ ከም ዘይከፍሉ ኣፍሊጦም። መርበብ እታ ከተማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እዩ ኣብ ኢድ ሰርሰርቲ ኣትዩ። ምምሕዳር እታ ከተማ፡ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ መርበብ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቁጽጽሩ ከም ዘእትዎ ኣፍሊጡ ነይሩ። እቲ መጥቃዕቲ ምስርሳር፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓተ ክፍሊት እታ ከተማ ሃስያ ኣውሪዱ ኣሎ። ኣባል ኮሚተ ምምሕዳር ከተማ ጆሃንስበርግ ዝኾነት ፉንዜላ ጎቤኒ \"ብቢትኮይን ክኽፈሉ ንዘቕረብዎ ጠለብ፡ እታ ከተማ ኣይክተማልእን'ያ፤ እቲ ስርዓት ምሉእ ብምሉእ ናብ ስራሕ ከም እንመልሶ ርግጸኛታት ኢና\" ክትብል ብሰኑይ ንጋዜጠኛታት ተዛሪባ። ንሳ ወሲኻ \"ንገለ ካብቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ስርዓታት ናብ ስራሕ ከም ዝምለሱ ክንገብር ከኢልና ኣሎና\" ኢላ። ብ 24 ጥቅምቲ ነቲ ጠለብ ዘቕረቡ እቶም ሰርሰርቲ፡ ክሳብ 28 ጥቅምቲ ሰዓት 17፡00 ክኽፈሎም ከም ዝሓተቱ፡ ኒውስ 24 ዝተብሃለ መርበብ ዜና ጸብጺቡ። እቶም ሰብ መዚ፡ እቲ ናይ ሳይበር ምስርሳር ካበይ ከም ዝተኻየደ ክፈልጡ ከም ዝኸኣሉ ይዛረቡ። ኣዛዚ ረቂቕ መርመራታት እታ ከተማ ሻድራኽ ሲባያ፡ \"እቲ መጥቃዕቲ ካበይ ከም ዝተኻየደ ፈሊጥና ኣሎና፤ እንተኾነ ግና፡ ኣብዚ እዋን ዝኾነ ዝርዝር ኣይከነውጽእን ኢና፡ ነዚ ኣብ ኢድ እቶም ሰብ መዚ ሓዲግናዮ ኣሎና\" ኢሉ።","category":"ድሕነት ኮምፒተር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50217456"} {"headline":"ዩክረይን ብጸረ መጥቃዕቲ ኣገደስቲ ከተማታት ተቖጻጺራ","content":"ዩክረይን ብዝገበረቶ ጸረ መጥቃዕቲ ኣብ ኢድ ሓይልታት ሩስያ ዝጸንሓ ኣገዳስቲ ከተማታት ተቖጻጺራ። ብቕልጡፍ ጸረ መጥቃዕቲ ዩክረይን ዝተደፍኡ ሓይልታት ሩስያ ካብ ኣገደስቲ ምብራቓውያን ከተማታት ስሒቦም። ሰብመዚ ዩክረይን፡ ሰራዊቶም ብቐዳም ናብታ ኣብ ምብራቕ ቀንዲ መናሃሪ ዕጥቅን ስንቅን ዝነበረት ከተማ ኩፒያንስክ ከም ዝኣተዉ ገሊጾም ። ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ከኣ ሰራዊቱ \"ምእንቲ ኪወዳደቡ” ናብቲ ኣብ ጥቓኡ ዘላ ከተማ ኢዝዩም ከም ዘንሰሓቡ ገሊጹ ። ብተወሳኺ፡ ንግንባር ዶነትስክ 'ንምድልዳል\" ካብታ ሳልሰይቲ ከተማ ባላቅሊያ ከም ዝወጽኡ እውን ኣረጋጊጹ። ሩስያ ኣብ ሚያዝያ ካብ ዝሓዘቶ ከባቢታት ኪየቭ ምስሓባ  ዩክረናውያን ነቲ ጸብለልታ እንተዓቂቦሞ ዓቢ ዓወት እዩ። ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ብቐዳም ለይቲ ኣብ ዝሃቦ ናይ ቪድዮ መደረ፡ ዩክረይን ኣብዚ ወርሒ እዚ ብሓድሽ መልክዕ ጸረ መጥቃዕቲ ካብ እትጅምር ንነጀው፡ ካብቲ ሓይልታት ሩስያ ተቖጻጺሮሞ ዝጸንሑ መሬታ ኣስታት 700 ስኴር ማይልስ ተቖጻጺራ ምህላዋ ገሊጹ። ከምቲ ንሱ ዝበሎ፡ ኣብተን ዳሕሮት 48 ሰዓታት ጥራይ ፍርቂ ካብቲ ዝገለጾ መሬት ከምዝሓዙ እዩ ዝሕብር። ፕረዚደንት ዘለነስኪ ኣብቲ ብሓሙስ ምሸት ዝሃቦ መግለጺ ዕጽፊ ናይዚ ሓራ ዝወጽአ መሬት ክቆጻጸሩ ከም ዝኽእሉ እዩ ገሊጹ ነይሩ። ሩስያ ሰራዊታ ካብ ኣይዙም ከም ዝሰሓቡ ምግላጻ ንዩክረይን ካልእ ዓወት እዩ። ምኽንያቱ እታ ከተማ ቀንድን ኣገዳሲትን መደበር ወተሃደራት ሞስኮ እያ ነይራ። ሩስያ \" ንግንባር ህዝባዊት ሪፓብሊክ ዶነትስክ ንምድልዳል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልቲ ካብ ኣይዙምን ባላክሊያን ስሒብና” ክትብልመግለጺ ሂባ። \" [በቲ ጸረ መጥቃዕቲ] ኣብ ሰራዊት ሩስያ ጕድኣት ምእንቲ ኸይወርድ፡ [ከዝልቑ እንከለው] ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ሓያል ናይ ተዅሲ ጉልባብ ኢና ኣካይድና።\" ኢላ። ድሕር’ዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: ቀንዲ ኣማሓዳሪ ናይቲ ሩስያ እትቈጻጸሮ ክፋል ዞባ ካርኪቭ: እቶም ነበርቲ \"ህይወቶም ንምድሓን\" ናብ ሩስያ ክግዕዙ ሓሳብ ኣቕሪቡ። ኣመሓዳሪ ናይታ ጎረቤት ዞባ በልጎሮድ ድማ፡ ነቶም ዶብ ሰጊሮም ንሩስያ ዝኣትው ሰባት፡ ሕክምናዊ ክንክንን መሞቕን ዘቕርባ ተንቀሳቐስቲ መሳለጥያታት ከም ዝቐረበ ገሊጹ ። እዚ ምዕባለታት እዚ፡ ሰራዊት ዩክረይን ነቲ ሩስያ ተቖጻጺራቶ ዝነበረት ግዝኣቶም ናይ ምምላስ ዓቕሚ ከም ዘለዎም ዘርኢ ምልክት ብምዃኑ፣ኪየቭ ንምዕራባውያን ደገፍታ ወተሃደራዊ ደገፎም ብዝተዓጻጸፈ ክቕጽሉላ ትሓትት ኣላ። ትንተና ብጋዜጠኛ ኦርላ ጉየሪን ኢንተርናሽናል ኮርስፖንደንት ኣብ ማእከላይ ዩክረይን ቅልጣፈ ናይቲ ጸረ መጥቃዕቲ ንሩስያውያን ጥራይ ዘይኮነ ንገሊኦም ዩክሬናውያን እውን ንክኣምኑዎ ኣገሪምዎም እዩ ። ኣብዚ ቦታ እዚ ዝነብሩ ሰባት ፡ እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ ይጽገሙ  እዮም ። ሩስያውያን ኣብዚ እዋን እዚ፡ ክልተ ቀንዲ መደበር ሎጂስቲካዊ ዝነበራ ቦታታት ስኢኖም ኣለዉ። ንሳተን ቀንዲ መሳለጥያ መገዲ ባቡር ዝርከበን ኢዙምን ኩፒያንክን እየን። እዚ ወተሃደራዊ ምንስሓብ ንፕረዚደንት ፑቲን ሕፍረት እዩ። ጋዜጠኛታት ናብ ቦታ ዓውደ ውግእ ክንንቀሳቐስ ስለ ዝተኸልከልና  ኣብ ቅድመ ግንባር ክንበጽሕ ኣይከኣልናን። ዩክረይን ነቲ ናይ ሓበሬታ ውግእ ክትቈጻጸሮ ወሲና እያ። ይኹን እምበር፡ ወተሃደራት ዩክረይን ሰንደቕ ዕላማኦም ኣብቲ ሓራ ዝወጸ ቦታታት ከንበልብሉ ዘርኢ ኣሳእል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ይወጽእ ኣሎ። እዚ ኵሉ ንዩክሬናውያን ዓወት ነቶም ዝሕግዙዋ ምዕራባውያን ከኣ ተስፋ እዩ። ሩስያውያን ክሳዕ ሕጂ ሓደ ሕምሲት መሬት ዩክረይን ሒዞም ኣለዉ። እቲ ውግእ ብቕልጡፍ ከብቅዕ’ዩ ኢሎም ዝሓስቡ እውን ሒደት ኣይነበሩን። ይኹን እምበር፡ ዩክሬናውያን ኣብዚ እዋን እዚ ንሩስያውያን ኣብ ውግእ ክደፍኡዎም ከም ዝኽእሉ ኣርእዮም እዮም።  እዚ ከኣ ንመናውራ ጥራይ ኣይኰነን። ሓደ ወተሃደራዊ ክኢላ ከም ዝበሎ፡ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም [ኣብ ኵናት ዩክረይን] ክልተ ኣሃዱታት ሩስያ ጠፊኡ ኣሎ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ሰብመዚ ምክልኻል እንግሊዝ፡ ዩክረይን ካብቲ ሩስያውያን ዝቈጻጸርዋ ዝነበሩ ክሊ ኣስታት 50 ኪ.ሜ ከምዝተቐጻጸሩ ገሊጾም ነይሮም ። ሚኒስትሪ ምክልኻል ዓዲ እንግሊዝ፡ \"ሓይልታት ሩስያ ብሃንደበት ተደፊኦም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም\" ኢሉ። \"እቲ ግጥም ፈኲስ እዩ ነይሩ። ኣሃዱታት ዩክረይን ድማ ንሓያሎ ከተማታት ማሪኾም ወይ ኣኽቢቦም ኣለው።\" ዩክረይን ኣህጉራዊ ቘላሕታ ናብቲ ኣብ ደቡባ እትርከብ ከተማ ከርሰን እንከሎ፡ ብዘይ ተጸበዩዎ መገዲ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ጸረ መጥቃዕቲ  ጀሚራ። ወተሃደራውያን ተንተንቲ፡ ሩስያ ነታ ከተማ ንምክልኻል ንገለ ካብቲ ምኩር ሰራዊታ ኣቐድም ኣቢላ ካብቲ ዝገደፈቶ ቦታታት ከም  ዘግዓዘቶ እዮምዝኣምኑ ። ይኹን እምበር፡ ዩክረይን ኣብ ምብራቕ ባይታ ስለ ዝረኸበት፡ ብደቡብ እውን ተስፋ ረኺባ ኣላ ኢሉ እቲ በዓል ስልጣን። ወሃቢ ቃል ደቡባዊ እዝ ሰራዊት ዩክረይን ናታሊያ ጉመኒዩክ ፡ \"ኣብቲ ግንባር ካብ ክልተ ክሳብ ደርዘን ኪሎሜትራት\" ከምዝደፍኡ ገሊጹ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን፡ ዲሚትሮ ኩለባ፡ እዚ ሓድሽ ምዕባለታት፡ እንተደኣ ምዕራብ እኹል ወተሃደራዊ ዕጥቂ ተሓባቢራ፡  ሰራዊቱ፡ ንሰራዊትሩስያ ክስዕሩ ከም ዝኽእሉን ነቲ ውግእ ብዝቐልጠፈ ክንውድኦ ኢና ኢሉ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ደቡባዊ ግንባር ዝዋግኡ ዘለው ሰራዊት ሩስያ መከላኸሊ ድፍዓቶም ከም ዘጠናኸሩን ሰራዊት ዩክረይን ኣብቲ ጀሚሩዎ ዘሎ ጸረ መጥቃዕቲ ከቢድ ተቓውሞ የጋጥሞ ከምዘሎን ገሊጾም። ኣብ ካርኪቭ እውን ትማሊ ቀዳም ብዝተተኮሰ ሮኬት ሩስያ፡ ሓደ ሰብ ተቐቲሉ፡ ሓያሎ ኣባይቲ እውን ዓንዩ ኣሎ። ሰበ-ስልጣን ዩክረይን፡ ሰራዊቶም ኣብ ከተማ ኩፒያንስክ  ንባንዴራ ሩስያ ረጊጾም ባንዴራ ዩክረይን እናንበልበሉ ዘርኢ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘርጊሖም። ብዓርቢ ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ሓይልታቱ \"በብቝሩብ ሓደስቲ ቦታታት ይቈጻጸሩ\" ከም ዘለዉን \"ንባንዴራ ዩክረይን ናብ ቦትኣ ይመልሱዋን ንዅሉ ህዝቢ ዑቕባ ከም ዝኾኑዎን ገሊጹ ነይሩ። ብተወሳኺ፡ ኣሃዱታት ሃገራዊ ፖሊስ ናብቲ ሓራ ዝወጸ ሰፈራታት ይምለሱ ከም ዘለዉን ነበርቲ እቲ ከባቢ ብሩስያውያን እተፈጸመ ናይ ውግእ ገበን ሪፖርት ክገብሩሉ ተማሕጺኑ። እቲ ጻውዒት ድሕሪ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝመደበሩ ጕጅለ ምክትታል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓይልታት ሞስኮ \"ኣብ ልዕሊ ምሩኻት ኲናት ብዙሕ ጥሕሰት ከም ዝፈጸመ\" ጸብጻብ ምቕራቡ እዩ። እቲ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ሰራዊት ዩክረይን \"ኣብ ልዕሊ ምሩኻት ኲናት ግፍዒ\" ከም ዝፈጸመ እውን ከሲሱ እዩ ። ኣብ ርእሲ’ዚ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ኣንናሌና ባርባክ፡ በርሊን ኣብ ምክልኻል ዩክረይን ዝኣተወቶ ቃል ንምርኣይ ብቐዳም ኣብ ኪየቭ ሃንደበታዊ ምብጻሕ ፈጺማ። “ ሎሚ፡ [ህዝቢ ዩክረይን] ብቐጻሊ ኣባና ክውከል ከምዝኽእል  ንምርኣይ እየናብ ኪየቭ \" መጺአ ኢላ ሚስ ቤርቦክ ። ትማሊ ዓርቢ ሚስተር ዘለንስኪ ነቲ ኣፍራይ ሃሉክ ባይራክታር ዝተባህለ ድሮን ዘፍሪ ቱርካዊ ሰርኲይት ኣብ ዩክረይን ዝለዓለ ክብሪ ዘለዎ ህያብ ሸሊሙዎ። እታ ኣርባዕተ ሚሳይላት ክትስከም እትኽእል እቲ ካምፓኒ ዘፍርያ ቲቢ-2 እትበሃል ደሮን ሰንደቕ መኸተ ህዝቢ ዩክረይን ኰይና ኣላ ። ኣንካራ፡ እቲ ግጭት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ኣብ መንጎ ኪየቭን ሞስኮን ናይ ምሽምጋል ተራ ትጻወት እኳ እንተ’ላ፡ ሚስተር ባይራክትር ነታ ልዑላውነታ ትከላኸል ዘላ ዩክረይን እምበር ንሩስያ ድሮንን ኣጽዋርን ምሻጥ ከምዝኣበየ ኣብ ነሓሰ ንማዕከን ዜና ሲ.ኤን.ኤን ገሊጹ ነይሩ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cn4zm4jlrl1o"} {"headline":"ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ቱርኪ ምብጻሕ ኣካይዱ","content":"ጠቕላሊ ኢታማጆርሹም፡ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ዝመርሖ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቱርኪ ምብጻሕ ብምግባር ምስ ወተሃደራዊ ሓለፍቲ እታ ሃገር ከምዝዘተየ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ጸብጺቡ። እቲ መንግስታዊ ወኪል መራኸቢ ብዙሓን ከምዝበሎ፡ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ምስ’ቲ መሪሕዎ ዝኸደ ጉጅለ ልኡኽ፡ መንግስቲ’ታ ሃገር ትማሊ ረቡዕ  ኣብ ዘዳለዎ ወተሃደራዊ ምርኢት 2022 ተሳትፎ ከምዝገበረ ይሕብር። ቱርኪ ቅድም ክብል፡ ኣብ’ቲ ኣስታት 19 ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ደማዊ ኲናት ትግራይ ስማ ክለዓል ከምዝጸንሐ ዝዝከር እዩ። ቱርኪ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ [ድሮን] ካብ ዘእተዋ ሓሙሽተ ቀንዲ ሃገራት ሓንቲ ከምዝኾነት ጸብጻባት የመልክቱ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ወርሒ ነሐሰ 2021፡ ናብ ቱርኪ ዘምረሐ ኾይኑ፡ ብቕሉዕ ዘይተነግሩ ወተሃደራውን ጸጥታውን ስምምዓት ገይሩ ከምዝተመልሰ ይዝከር። ፊልድ ማራሻል ብርሃኑ፡ ምስ ቱርካዊ መዘንኡ ፡ ጀነራል ኣሳር ጉለር ኣብ ክልታኣውን ሓበራዊን ጉዳያት ከምዝዝተዩ ዝሕብር እቲ ጸብጻብ፡ ዝርዝር ዛዕባ እቲ ልእኽቶ ኰነ ትሕዝቶ እቲ ዘተ ግን ኣይተሓበረን። እንተኾነ፡ ‘ኣብ ወተሃደራውን ጸጥታውን ምትሕግጋዛት ሓቢረን ንምስራሕ’ ኣብ ዘኽእል መገዲ ምዝታዮም እቲ ጸብጻብ የመልክት። እቲ ጸብጻብ ንሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ጠቒሱ ወሲኹ ከምዝሓበሮ፡ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ምስ ሚኒስትር ምክልኻል ቱርኪ’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ዘትዩ ኣሎ። ብ25 ሓምለ 2013 ዓ.ም ግእዝ፡ ፕረዚደንት ቱርኪ ምስ ኣብዪ ኣሕመድ ብስልኪ ምስ ተዘራረበ፡ ሃገሩ ንኢትዮጵያ 'ኩለመዳያዊ ሓገዝ’ ክትገብር ድሉውቲ ምዃና ምግላጹ ዝዝከር እዩ። ምብጻሕ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ናብ ቱርኪ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝጀመረሉ መበል 125 ዓመት ምዃኑ ኮምዩኒኬሽን ዳይሮክተሬት ቱርኪ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ። ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ብምግምጋም ርክበን ንምጥንኻር ክውሰዱ ብዛዕባ ዝግብኦም ዝምድናታት ከምዝተመያየጡ ድማ ጸብጻት ይሕብሩ። ኣብቲ እዋን፡ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ዓሪጉ ዝነበረሉ እዋን እንትኸውን፡ ሓይልታት ትግራይ ንኣብዝሓ ከባብታት ትግራይ ተቖጻጺሮም፡ ንገለ ከባብታት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተቖጻጸርሉ እዋን ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ቱርኪ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ [ድሮናት] ተቕርብ ኣላ ዝብሉ ጸብጻባት ምስ ወጽኡ፡ ኢምባሲ መንግስቲ ቱርኪ 'ሓሶት እዩ' ኢሉ ነይሩ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ትግራይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብምጥቃም ዝተፈላለዩ ስርሒታት ፈጺሙ ምንባሩ ይፍለጥ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c6pz8g7ez3do"} {"headline":"ንታይዋን ነጻ ሃገር ንምግባር ዝካየድ ፈተነ ኲናት ከልዕል ይኽእል እዩ - ቻይና","content":"ቻይና ንታይዋን ነጻ ሃገር ንምግባር ዝካየድ ዝኾነ ዓይነት ፈተነ ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክትወስድ ከምዘገድዳ ንኣመሪካ ኣጠንቂቓ፡፡ ሚኒስተር ምክልኻል ቻይና ወይ ፈንግሂ ኣብቲ ኣብ ሲንጋፖር ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ጸጥታ እስያ ምስ ኣመሪካዊ መዘንኡ ሎይድ ኦስቲን ተዘራሪቡ ኣሎ፡፡ ንታይዋን ካብ ቻይና ምንጻል፡ ሰራዊት ቻይና  ‘‘ክንዲ ድላዩ ዋጋ ይሕተት ክዋጋእ’’ ከገድዶ እዩ ኢሉ ሚኒስተር ምክልኻል ቻይና፡፡ ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ግና ንወታሃደራዊ ንጥፈት ቻይና ‘‘ተንኳይን ዘራግን’’ ኢልዎ፡፡ ሎይድ ኦስቲን፡ ብዙሓት ነፈርቲ ውግእ ቻይና ዳርጋ መዓልታዊ ኣብታ ብማያት ዝተኸበበት ታይዋን ይዝምብያ ከምዘለዋ ብምሕባር ‘‘ሰላምን ድሕነትን እቲ ዞባ ዝዘርግ እዩ’’ ክብል ወቒሱ፡፡ ቻይና ነታ ርእሰ ምምሕዳር ዘለዋ ታይዋን ከምሓንቲ ግዝኣታ እትቖጽራ ኮይና፡ ኣመሪካ ንእትፍጽመላ መሸጣ ኣጽዋር ትኹንን። እቲ ሚኒስተር ‘‘ዝኾነ ኣካል ንታይዋን ካብ ቻይና ንምንጻል እንተፈቲኑ፡ ክንድድላዩ ዋጋ ይሕተት፡ ሰራዊት ቻይና፡ ተዋጊኡ ‘ናጽነት ታይዋን’ ብምድምሳስ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ቻይና ካብ ምርግጋጽ ካልእ ኣማራጺ የብሉን’’ ምባሉ እውን ወሃቢ ቃሉ ሓቢሩ ኣሎ፡፡ ኣመሪካ ኩነታት ብዘለዉዎ ክቕጽሉ ከምእትድግፍ ዝገለጸ ሚኒስተር ኦስቲን፡ ወጥሪ ብሓይሊ ንምፍታሕ ዝውሰድ ስጉምቲ ግን ክህሉ የብሉን ኢሉ፡፡ እቶም መዛኑ ንፈለማ እዋን ዝተራኸቡ ኮይኖም፡ ኣስታት ሓደ ሰዓት ዝወሰደ ዝርርብ ከምዘካየዱ እውን ተገሊጹ፡፡ ክልቲኦም ወገናት እቲ ልዝብ ልባዊ ምንባሩ ሓቢሮም እዮም፡፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት፡ ታይዋን ናብ ምክልኻል ኣየራ ንዝኣተዋ 30 ነፈርቲ ውግእ ቻይና ንምጥንቃቕ ነፈርቲ ውግእ ከምዘዋፈረት ምግላጻ ዝዝከር እዩ፡፡","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c1wl86568q9o"} {"headline":"ኤርትራ፡ ‘ክሳብ መዓስ’ዩ ህዝቢ ብራዕዲ፡ ሃገር ብግፋ ክትመሓደር?'","content":"ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብፍላይ ከኣ ኣብ እዋን ህዝባዊ በዓላት ካብ ሰራዊት ብገዛእ ፍቓዶም ናብ ስድራኦምን ናብራኦምን ንዝተመልሱ፣ ወይ’ውን ተፈቒድዎም መዓልቶም ዘሕለፉ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ዓቕመ ኣዳም በጺሖም ክነሶም ሃገራዊ ኣገልግሎት ንኽይፍጽሙ ንዝተሓብኡ መንእሰያትን ንምህዳን ጽዑቕ ግፋ ክካየድ ከም ንቡር ካብ ዝውሰድ ነዊሕ ኰይኑ እዩ። ኣብዚ ቅንያት እዚ ግን ኣብ ዞባ ደቡብ ከባቢ ሰገነይቲ ናብቲ ህዝቢ ዘነጻጸረ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩን ተገይሩን ዘይፈልጥ ንነብሰ ጾራትን ቘልዓ ሰበይትን ከይተረፈ ሓያል ግፋ ይካየድ ምህላው ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣዛራቢ ዛዕባ ኰይኑ ኣሎ። ቢቢሲ ትግርኛ ካብ ምንጭታቱን ዝረኸቦ ሓበሬታን ኣብቲ ከባቢ ብጭቡጥ እንታይ ይፍጸም ከም ዘሎን ኣብ ስደት ንዝነብሩ ክልተ ተወለድቲ እቲ ከባቢ ኣዘራሪቡ ኣሎ፤ ትሕዝቶኡ ብኸምዚ ዝስዕብ ይቐርብ። ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ኣብ እግሪ ናብ ጐቦታት ኣባሓንን ዲዖትን ዝወስድ ቦታ ዝተደኮና፡ ኣኹሩር፡ ምዔላ፡ ዓዲ-ቘንጺ፡ ዓዲ-ፊኚሕ፡ ሔቦ ኣብ ዝተባህላ ዓድታት ጽዑቕ ግፋ ቀንዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓዲ ዕጡቓት ኣባላት ምክልኻል ነቶም ካብ ሰራዊት ኮብሊሎም ከምኡ’ውን ዓቕመ ኣዳም በጺሖም ክነሶም ንሳዋ ከይከዱ ተሓቢኦም ንዝበሉዎም ሰባት ክደልዩ፡ ገዛ ገዛ ብምፍታሽ ንስድራ-ቤት እቶም ዘይረኸብዎም ዘበሉ ካብ ኣባይቶም እናውጽኡ ነቲ ገዛውቶም ይዕሽግዎ ከም ዘለው ኣብ ኖርወይ ዝነብር ተወላዲ እቲ ከባቢ ኣድሓኖም በራኺ ይዛረብ። “እቶም ሰራዊት ካብ ምምሕዳራት ናይቲ ከባቢ፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ ዓዲ ናይ ዝኾብለሉን ትምህርቲ ዘቋረጹን ዓቕመ ኣዳም በጺሖም ክነሶም ናብ ሳዋ ዘይከዱን ዝርከብዎም ዝርዝር ኣስማት ዝሓዘ ወረቐት ሒዞም ብምምጻእ፡ ናይቶም ዘይረኸብዎም ስድራ ኣባይቲ ስለዝዓሸጉዎ ቈልዓ ሰበይቲ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ይርከቡ ኣለው” ይብል ኣድሓኖም። ህዝቢ እቲ ከባቢ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ዳርጋ ኣብ መላእ ኤርትራ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝርከብ መንእሰይ ናይ ኣገልግሎት ግዜ ስለ ዝነውሖን ዝረብሕ ገንዘብ ስለዘይክፈሎን ኣብታ ናይ ዕረፍቲ ግዜኡ ፍቓድ ሓቲቱ፡ ኣብ ዓዓዱ ኣብ ማሕረስን መንደቕን ሚነዋለን እናሸቀለ እዩ ንወለዱን ሓዳሩን ክኣሊ ጸኒሑ። ዝበዝሓ እተን ንምብራቓዊ ኣጻድፍ ተጐዝጒዘን ዝተደኮና ዓድታት ጸንዓደግለ ሰፊሕ በረኻታት መጋሃጫ ስለዘለወን፡ እቶም ንገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ራሕሪሖም ስድራኦም ክኣልዩ ዝወሰኑ መንእሰያት ኣብ ጸናዕቲ በረኻታት ዓዶም ተኸዊሎም ናብራኦም ክመርሑ ምጽንሖም ነባሪ ከተማ ሚላኖ ኣብርሃም መሓረና ሓቢሩ። ሕጂ እቲ ስርዓት ገዚፍ ሓይሊ ኣዋፊሩ፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓዲ ዓስኪሩ፡ ንስድራ ቤታት ደቅኹም ኣምጽኡ እናበለ፡ ኣባይቶም ዓሺጉ ንደቈምን ኣንስቶምን ወለዶምን ኣብ ግዳም ብምድርባይ ከቢድ ግፍዒ ይፍጽም ከም ዘሎ ይዛረብ። “ክሳብ መዓስ እዩ ንህዝቢ ብራዕዲ ንሃገር ብግፋ ከመሓድር ዝፍትን፤ ካብ ምስ ህዝብን መንእሰያትን ምትህልላኽ ስርዓቱን ምሕደራኡን ከዐሪ እዩ ዝግባእ!” ክብል ሓሳቡ የቕርብ። ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ ዝእወጅ ኣትሒዙ፡ ዓቕመ ኣዳም ዝበጽሐ መንእሰይ ግድን ሃገራዊ ኣገልግሎት ክፍጽም ኣለዎ። ድሕሪ’ቲ ኣዋጅ ትምህርቱ ዝወደአ ዘቋረጸን 18 ዓመት ዝመልአ መንእሰይ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ወተሃደራዊ ታዕሊምን ዓመታዊ ኣገልግሎት ክፍጽምን ይግደድ። ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዶባት ብዝተመኽነየ ምስምስ ካብ 1998-2000 ኣብ ደማዊ ኵናት ካብ ዝኣትዋ ንደሓር ከኣ ዓመታዊ ናብ ሰራዊት ዝጽንበር እምበር ኣገልግሎቱ ወዲኡ ካብ ሰራዊት ዝሰናበት መንእሰይ ኤርትራ ተራእዩ ኣይፈልጥን። ከም ኣምኒስት ኢንተርናሽናል፡ ሂዩማን ራይትስ ዎች ዝኣመሰላ ኣህጉራውያን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ እቲ ካብ 18 ኣዋርሕ ናብ ገደብ ኣልቦ ግዱድ ዕዮ ዝተሰጋገረ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ፡ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጥንቂ ስደትን ቅልውላው ሰብኣዊ መሰላት ምዃኑ እየን ዝገልጻ። እቶም ብስም ሃገራዊ ልምዓት ኣብ ዝተፈላለየ ውልቃዊ ዋኒን ላዕለዎት ሰበስልጣን ክሰርሑ ዝቕሰቡ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብቲ መስርሕ ብጨካን ወተሃደራዊ መቕጻዕትን ስቓይን ሃገሮም ገዲፎም ናብ ጐረባብቲ ሃገራትን ዝተፈላለየ ሃገራት ኤውሮጳን ክስደዱ ምጽንሖም፡ “ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ” እትብል መጽሓፍ ዝጸሓፈ ዶ\/ር ጋይም ክብረኣብ ይገልጽ። ኣብ ሓደ እዋን ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሃዲሙ ዶብ ክሰግር ዝተረኽበ ኣባል ብጥይት ክህረም ዝእዝዝ መምርሒ ተመሓላሊፉ ምንባሩ ዝጠቅስ ዶ\/ር ጋይም፡ ሓያሎ ሰባት ግዳይ እቲ ፖሊሲ ምዃኖም የረድእ። እዚ ሕጂ ኣብ ዓድታት ዞባ ደቡብ ሰገነይትን ከባቢኣን ካልእ ከባቢታት ኤርትራን ንዝኾብለሉ መንእሰያት ንምህዳን ክትብል ንስድራቤቶም ደቈምን ወለዶምን ምክልባት ብሕጊ ዘሕትት ዝዀነ ሕልና ዘለዎ ፍጡር ኮነ ስርዓትን ምምሕዳርን ክፍጽሞ ዘይትጽበዮ ግፍዒ እዩ ክብል ይገልጾ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ሕዳር 2020 ኣብ ዝተወልዐ ውሽጣዊ ጎንጺ ኢትዮጵያ ንሰራዊት ፈደራል ደጊፉ ኣንጻር ህወሓት ስለዝተዋግአ፡ “ወያነ ክትወረና ትዳሎ ኣላ” ብማለት፡ ኵሉ ኤርትራዊ ‘ታሪኻዊ ግድነታዊ መድረኽ’ ክብል ኣብ ዝሰየሞ ናይ ክተት ወፍሪ ክሳተፍ ይጽውዕ ከምዘሎ ዝሓበረ ኣቶ ኣብርሃም መሓረና፡ እዚ ሕጂ ኣብ መላእ ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ጽዑቕ ግፋ ከኣ ናብኡ ዝዓለመ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግምት። ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት እታ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልአይቲ ዝነኣሰት ሃገር ኤርትራ፡ ብደረጃ ዓለም ድሕሪ ሶርያ ቀንዲ ኣፍራይት ስደተኛታት ተባሂላ ምጥቃሳ ዝዝክር ኣብርሃም፡ እዚ ሕጂ ኣብ ጸንዓደግለን ካልእ ከባብን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝካየድ ዘሎ ጨካን ግፍዒ፡ ህዝቢ ኣንጸርጺሩ ዓዱን መሬቱን ገዲፉ ንኽስደድ ዝቕስብ እዩ ክብል ምረቱ ይገልጽ። “እቶም ሰራዊት፡ ቅድሚ ሕጂ ጓሶት ዓዲ’ኳ ኣትዮምዎ ናብ ዘይፈልጡ በረኻታት ስያሕን ዓሊገደን እናወረዱ፡ ነቶም መንእሰያት ከም ጸላእቲ ይሃድኑዎም ኣለው። እቲ ስርዓት ከኣ ብሃድንን ግፋን ዝእክቦ መንእሰይ ነቲ ዝደልዮን ዝሓስቦን ዕላማ ክፍጽመሉ ከምዘይክእል ይፈልጥ እዩ። እቲ ዘሕዝን ኣብ ልዕሊ ቘልዓ ሰበይቲ ዝፍጸም በደል እዩ” ይብል ኣብርሃም። ብመንፈስ እቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ብጽኑዕ ድስፕሊን ዝተሃንጸ ህዝባዊ ሰራዊት ክፍጠር ዝተደልየ መንእሰይ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ብሰንኪ ንውሓት ግዜን ብሓለፍቲ ዝግበር ጨካን ምሕደራን ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ከምዘይኮነ ኣቶ ኣብርሃም ይዛረብ። “ፍትሒ ዝረግጽ ስርዓት ኣብ መወዳእትኡ በቲ ዝረገጾ ፍትሒ እዩ ዝርገጽ” ክብል እቲ መንግስቲ ኣብ ኵሉ መዳያት ርትዓውን ፍትሓውን ኣገባብ ክጥቀም ከም ዝግባእ ይገልጽ። ኣቶ ኣድሓኖም፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓርሰሉን ዝዘርኣሉን ወቕቲ፡ ካብ መነባብሮኡ ምምዝባል ኣጥሚኻ ከተንበርክኾ ዝግበር ፈተነ፡ ዝዀነ መመኽነይታ ዘይወሃቦ በደል ምዃኑ ይገልጽ። “ህዝቢ ኤርትራ ንነጻነት ሃገሩ ካብ ሓደ ስድራ ክሳብ ሓሙሽተ ኣባጽሕ መስዋእቲ ከፊሉ ከብቅዕ ብዶባት ኣብ ዝተሳበበ ኲናት ከኣ ሃገር ኣብ ሓደጋ ወዲቓ ምስ ተባህለ ነቶም ዝተረፉ ደቁ ብገዛእ ፍቓዱ ናብ ግንባራት ኣኽቲቱ እዩ ልኡላውነቱ ኣውሒሱ። ነዚ ብወለንታኡ ብፍቓዱ ዝብጆን ዝስዋእን ህዝቢ ብግፋን ሃድንን ከተሰልፎ ምፍታን ቅቡል ኣይኮነን” ይብል። እቲ ኣብተን ዝተጠቕሳ ዓድታት ጸንዓደግለ ሰፊሩ ዘሎ ሰራዊት፡ ንዅሉ መውፈርን መእተውን መገድታት ዓጽዩ፡ ስድራ ቤታት ኣብ በረኻ ንዘለው ደቆም መግብን ስንቅን ከይልእኩሎም ነቶም ብኣገልግሎት ዘይሕተቱ ንእሽቱ ጓሶት እናፈተሹ የሕልፍዎም ከም ዘለው፡ ብሰንኪ እቲ ጽኑዕ ቍጽጽር ከኣ ንፍረ ዝበጽሐ ናይ ብዙሓት ስድራታት ጀራዲን ኮሚደረ ዝኣርዮን ዝእክቦን ስኢኑ ከምዝባኸነ ኣቶ ኣብርሃም ይሕብር። ብዛዕባ እዚ ዝካየድ ዘሎ ግፋን ሃድንን ካብ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ሓበሬታ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን። ይዅን እምበር ህዝቢ ኤርትራ ካብ ግፋን ሃድንን ኣዕሪፉ ስለዘይፈልጥ፡ ግፋ ከም ንቡር ተርእዮ ከምዝወሰዶ ዝገልጽ ኣቶ ኣድሓኖም፡ እቲ ሕጂ ኣብ ዓድታት ጸንዓደግለ ዝርአ ድሮ ክልተ መንእሰያት ሔቦ ብጥይት ዘቝሰለ ግፋ፡ ናብ ሓደግቲ ዓድታት ማዕረባን ከባቢኣን እውን ይልሕም ከምዘሎ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ኣቶ ኣድሓኖም ከምዝሕብሮ፡ መንእሰያት ኤርትራ፡ ካብ መፋርቕ 1994 ኣትሒዙ ቀዳማይ ዙር ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ ዝእወጅ ክሳብ ሕጂ ናይ ግዜ ገደብ ኣብ ዘይብሉ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዘይ እኹል ከፍሊት ብናይ ጁባ ገንዘብ ንኣስታት 20 ዓመት ብዘይ ዝዀነ ይዅን ረብሓን ሞሳን ኣብ ፈቐዶ በረኻታት ከም ዘገልገሉ ይሕብር። ካብ ምንዋሕ ግዜ ዝተላዕለ እቶም መንእሰያት ንቡርን ስሩዕን ህይወቶም ክመርሑ ስለዘይከኣሉ ብዕድመን ጥዕናን ንዝተጸገሙ ሽማግለታት ወለዶምን ከም ሓያማት ንበይነን ደቀን ምስ ዘዕብያ ጽጕማት መርዑቶምን ክሕግዙ፡ ገሊኦም ምስ ሓለፍቶም ተሰማሚዖም ብፍቓድ፡ እቶም ዕድል ዘይረኸቡን ዝተኸልኩሉን ከኣ ደቀይን ስድራይን ብጥሜት ካብ ዝሞቱ ንዓይ ዝወረደ ይውረደኒ ብምባል ናይ ዓቕሊ ጽበት ስጕምቲ ከም ዝወስዱ ይገልጽ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ከምዚ ዓይነት ከቢድ በደል ካብ መንግስቱ ክበጽሖ ዘይትጽበዮ ምዃኑን፡ እዚ ዝግበር ዘሎ ሃድን መንእሰያትን ሽማግለታትን ከቛርጽ ድማ ይምሕጸን።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/clmk3rkzmp1o"} {"headline":"ኑክሌር እትዓጥቕ ቢ-21 ሓዳስ ወተሃደራዊት ነፋሪት ኣመሪካ","content":"ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ሓንቲ ምዕብልቲ ናይ ደብዳብ ነፋሪት ከምዝሰርሐ ኣፍሊጡ'ሎ። እዛ ቢ-21 ዝብል መጸውዒ ዝተዋህባ ኑክሌር እትዓጥቕ ሓዳስ ነፋሪት፡ ነተን ናይ እዋን ዝሑል ኲናት ደብደብቲ ክትትክእ ትጽቢት ይግበረላ። እታ ድሕሪ 30 ዓመት ንፈለማ እዋን ዝተሰርሐት ደብዳቢት ነፋሪት፡ ንሓንቲ ኣስታት 700 ሚልዮን ዶላር እትውድእ ኮይና፡ ኑክሌራዊን ስሩዕን (ኮንቨንሽናል) ኣጽዋር ክትስከም ዝተሰርሐ'ያ። ንኣሰራርሓን ካልእ ዓቕምታታን ብዝምልከት እቲ ሓይሊ ኣየር ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን። ጸሓፊ ክፍሊ ምክልኻል ሎይድ ኣውስቲን፡ \"መርኣያ ናይ ኣመሪካ መሪሕ ብልሓትን መሃዝነትን'ዩ\" ክብል ገሊጹዋ። እታ 'ቢ-21 ረይደር' ዝተባህለት ነፋሪት ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ኣብ ክፍለሃገር ካሊፎርንያ፡ እቲ ዝሰርሓ ትካል 'ኖርትሮፕ ግራማንስ' ኣብ ዘዳለዎ ስነስርዓት'ያ ተመሪቓ። እታ ነፋሪት ካብተን ዝጸንሓ ደብደብቲ ኣዝያ ከምእትምዕብል ዝገለጸ ጸሓፊ (ሚኒስተር) ኣውስቲን፡ \"ዋላ እቶም ዝማዕበሉ ናይ ምክልኻል ስርዓተ ጸረ-ነፈርቲ ንቢ-21 ኣብ ሰማይ ክረኽቡዋ ክጽገሙ'ዮም\" ኢሉ። \"ን50 ዓመታት ብዝማዕበለ ቴክኖሎጂ ትሑት-ተራኣይነት ዝተሰርሐት ነፋሪት'ያ\" ይብል ሎይድ ኣውስቲን። ብዘይካ'ዚ፡ እታ ነፋሪት ብቅሉዕ ስርዓተ-ቅርጺ ('ኦፐን ሲስተም ኣርኪተክቸር') ዝተሰርሐት ብምዃና፡ \"ክሳብ ሕጂ ዘይተማህዙ ኣጽዋር\" ክትዓጥቕ እትኽእል ምዃኑ ጠቒሱ። ዋላ'ኳ፡ ብዘይ ኣብራሪ ናይ ምብራር ተኽእሎ ዝምልከት ሓበሬታ ኣብቲ ስነስርዓት እንተዘይተገልጸ፡ ኣፈኛ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ግን \"እቲ ተኽእሎ ኣለዋ፡ እንተኾነ ግን ብዘይኣባላት ክትበርር ውሳነ ኣይተገብረላን\" ክብል ተዛሪቡ። እታ ሓዳስ ነፋሪት ኣብ ዝመጽእ ዓመት ፈላሚ በረራ ከተካይድ ትጽቢት ይግበር። ኣብ መወዳእታ ነተን ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገላ፡ ቢ-1 ከምኡ'ውን ቢ-2 ዝተባህላ ደብደብቲ ምሉእ ብምሉእ ክትትክአን'ዩ መደብ ወጺኡላ ዘሎ። ነተን ሓደስቲ ነፈርቲ ንምምዕባል፡ ምዕዳግን ምንቅስቓስን ብውሕዱ 203 ቢልዮን ዶላር ከምዝሓትት ማዕከን ዜና ብሉምበር ጠቒሱ'ሎ። ዛጊት ሽዱሽተ ነፈርቲ ይስርሓ ከምዘለዋ እቲ ኣፍራዪ ትካል ሓቢሩ። \"ዝቕጽል ወለዶ ናይ ሰላሕታ\" ነፈርቲ ክኾና ምዃነን ዝሓበረ ትካል ኖርትሮፕ ግራማንስ፡ \"ሓደስቲ ናይ ምስናዕ ኣገባባትን ጥረነገራትን\" ከምዝተጠቕሙ ገሊጹ። ብዛዕባ'ቶም ኣገባባትን ጥረነገራትን ግን ዝርዝር ሓበሬታ ይሃበን። ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ፡ ብውሕዱ 100 ነፈርቲ ክገዝእ ውጥን ከምዘለዎ ተፈሊጡ'ሎ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c2x1kymmrgdo"} {"headline":"ቀይሕ ባሕሪ፡ ኤርትራ ዘይተሳተፈቶ ወተሃደራዊ ልምምድ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ይካየድ ኣሎ","content":"ኣብዚ ሰሙን'ዚ፡ ሓያሎ መዳውብቲ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ዝሳተፍኦ ዘለዋ ወተሃደራዊ ልምምድ ሓይሊታት ባሕሪ ይካየድ ኣሎ። እቲ \"ቀይሕ ማዕበል 5\" ዝብል መጸውዒ ዝተዋህቦ ልምምድ ሓይሊታት ባሕሪ ንግስነት ስዑድ ዓረብ፡ ግብጺ፡ ሱዳን፡ ጂቡቲ፡ የመንን ዝተሳተፍዎ ኮይኑ ሶማልያ'ውን ተዓዘብቲ ሰዲዳ'ላ። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት 29 ግንቦት ኣብ ገማግም ወደባዊት ከተማ ጂዳ ዝጀመረ ልምምድ፡ ሓይሊ ምድሪ፡ ሓይሊ ኣየርን ሓለዋ ዶባትን ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዘጠቓለለ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ። ነቲ ልምምድ ዘወሃህድ ዘሎ፡ ኣዛዚ ምዕራባዊ ክንፊ (ፍሊት) ስዑድ ዓረብ፡ ሪር ኣድሚራል ያሕያ ቢን መሓመድ ኣል-ኣሲሪ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ልምምድ፡ \"ንማያዊ ጸጥታ መዳውብቲ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ንምድንፋዕ፡ ማያዊ ግዝኣት ንምክልኻልን ወተሃደራዊ ምትሕብባር ንምሕያልን\" ዝዓለመ ምዃኑ ከምዝገለጸ ትካል ፕረስ ስዑድያ ጸብጺቡ። \"እቲ ልምምድ ንዅሉ ግብራዊ ንጥፈታት ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ ናይ ምውጋእ ዓቕሚ ኵሎም ተሳተፍቲ ሓይልታት ዘበርኽ ክኸውን'ዩ\" ክብል'ውን እቲ ኣዛዚ ተዛሪቡ። ኤርትራ፡ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ዓቕምታተን ኣወሃሂደን፡ ንጸጥታን ምርግጋእን 'ቲ ዞባ ከውሕሳ ክትጽውዕ'ኳ እንተ ጸንሐት፡ ካብቲ ልምምዳት ምብኳራ ግን ኣቓልቦ ስሒቡ'ሎ። ስለምንታይ'ያ ኤርትራ ኣብቲ ልምምድ ዘይተሳተፈት? \"ቀይሕ ማዕበል\" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወተሃደራዊ ልምምድ፡ ካብ 2018 ኣትሒዙ ክካየድ ዝጸንሐ ምዃኑ ይፍለጥ። ኤርትራ ስለ ምንታይ ኣብ ኵሎም እቶም ልምምዳት ዘይተሳተፈት ዝብል ግን ብወግዒ ዝተፈልጠ ነገር የለን። ኣብቲ ኣብ 2019 ዝተኻየደ \"ቀይሕ ማዕበል 2\"፡ ኤርትራ፡ ንጸጥታዊ ውሕስነትን ምትሕብባር ሃገራትን ዝምልከት ዘለዋ ኣጠማምታ ካብ ምግላጽ ሓሊፋ ኣይተሳተፈትን። \"ንዘላቒ እሙን-ርግኣት ናይዚ ኣህጉራዊ ማያዊ-መገዲ'ዚ፡ ኣበርክቶ ሃገራት'ዚ ገማግም፡ ወሳንን መተካእታ ዘይርከበሉን እዩ\" ክብል መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ እዋን ገሊጹ ነይሩ። \"ኣብ ነንበይኖም እዋናት ክፍተኑ ዝጸንሑ ምውስዋሳት፡ እንተላይ ኣብዚ ሰሙን'ዚ [መወዳእታ መስከረም 2019] ብሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ዝካየድ ዘሎ ሓበራዊ ልምምድ ከኣ ናብዚ ሸቶ'ዚ ዝዓለሙ እዮም፡\" ይብል እቲ ሽዑ ዝወጽአ መግለጺ። ወተሃደራዊን ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢን ኤርትራ ብዊንታ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከም ዝምእዘን ዝገልጽ፡ ሓደ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ኤርትራ ነበር፡ ጽልዋኡ ውሑድ ምዃኑ እንተፈሊጡ ክሕሰሞ ከምዝኽእል ይእምት። \"ናይ ግብጽን ስዑዲን ዓቢን ምዕቡልን ወተሃደራዊ ተሳታፍነት፡ ምስኦም ዝዳረግ ጽልዋን ዓቕሚን ዘይምህላዉ፣ ንእሽቶ ተሳታፋይ ክኸውን ስለዘይደለየ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡\" ይብል ኣምባሳደር ዓብደላ ኣደም። \"ኢሳይያስ፡ ብኻልኦት ካብኡ ዝዓብዩ ክቕየድን ክምራሕን ኣይደልን'ዩ። እዚ ውልቃዊ ባህርያቱ'ውን ቅድሚ ሕጂ ኤርትራ ናብ ግጭትን ኲናት ከተምርሕ ካብ ዝደረኹ ረቛሒታት ሓደ'ዩ\" ብምባል፡ ኤርትራ ብዘለዋ ዓቕሚ እንተትሳተፍ ካብቲ ወተሃደራዊ ልምምድ እትረኽቦ ናይ ተመኵሮን ባጀታውን ረብሓታት ኣሎ ይብል። ከምዚ ዓይነት ስልታዊ መርገጺ ምውሳድ'ውን፡ ነቲ ምስ ካልኦት ዓበይቲ ሃገራት ክህልዎ ዝኽእል ረብሓታት ንምርግጋጽ ተዓጻጻፊነት ክህልዎ ስለዘኽእሎ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ንኣብነት፡ \"ንቻይና ወይ ንሩስያ ዕድል ክህብ ይደሊ ይኸውን፡ ከምኡ ክኸውን እንተኾይነ ድማ፡ በቲ ኣብ መንጐ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ዝህሉ ስምምዕ ክቕየድ ኣይደልን ይኸውን\" ይብል። ሩስያ ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምህናጽ ከምዝተሰማምዐት ዝገልጽ ጸብጻባት ኤርትራ ክትነጽጐ ጸኒሓ'ያ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ትማሊ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ \"ንእኩይ ዕላማ ኮነ ኢልካ ዝዝርጋሕ ዘሎ ግጉይ ሓበሬታ እዩ\" ክብል ብምንቃፍ \"ኤርትራ ኣብ ዓለምለኻዊ ሕጋጋትን ንቡራት ልምድታትን ዝተመስረተ ናታ ናይ ምክልኻል ቅርጺ ክትሃንጽ ምሉእ መሰላትን ናጽነትን ኣለዋ\" ክብል ጽሒፉ'ሎ። መንግስቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዘለዎ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት እናሓየለ ዝመጽአ ዝምድና ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካልእ መግለጺ ክወሃበሉ ኣይክልን'ዩ ይብል ኣምባሳደር ዓብደላ።ከምቲ ናይ ሶማልያ፡ እንተወሓደ ኤርትራ ተዓዘብቲ ክትሰድድ ዘይምኽኣላ'ውን፡ ነዚ ዘንጸባርቕ ምዃኑ'ዩ ዝዛረብ። ሓንቲ ካብ ቀንዲ መዳውብቲ ቀይሕ ባሕሪ ኮይና እናሃለወት፡ ተዓዛቢት ጥራይ ክትከውን፡ ንዓቕማን ኣገዳስነታትን ዘንኣእስ ስለ ዝኾነ ብተዓዛብነት ጥራይ ክትሳተፍ ከም ዘይትኽእል'ዮም ተንተንቲ ዝምጉቱ። እታ ብቐጥታ መዳውብቲ ቀይሕ ባሕሪ ዘይኮነት ሃገረ ሶማልያ፡ ኣብቶም ክካየዱ ዝጸንሑ ወተሃደራዊ ልምምዳት ተዓዘብቲ ክትሰድድ ምጽንሓ ይፍለጥ።ኣብ ጥሪ 2020፡ ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ክምስርታ ተሰማሚዐን ምንባረን ይዝከር። ብወገን ኤርትራ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝመርሖ ጕጅለ ልኡኽ ኣብቲ ግብጺ፡ ዮርዳኖስ፡ ኤርትራ፡ የመን፡ ሱዳን፡ ሶማልያን ጂቡቲን ዝተረኽባሉ ኣኼባ ተሳቲፉ ነይሩ። ኣገዳስነትን ስግኣታትን ቀይሕ ባሕሪ ንዘመናት ኣገዳሲ መስመር ንግዲ ዓለም ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብዚ እዋን እዚ'ውን ዳርጋ ልዕሊ 40 ሚእታዊት ናይ ዓለምና ማያዊ ንግዲ ዝሓልፈሉ ስትራተጂካዊ መስመር'ዩ። ኣገዳስነቱ ካብ ጥንቲ ዝጸንሐ'ኳ እንተኾነ፡ ድሕሪ ምዂዓት መትረብ ስዊዝ፡ መራኽብ ኣውሮጳ ነቲ ብጸንፊ ጽቡቕ ተስፋ (ደቡባዊ ጫፍ ኣፍሪቃ) ተጠውየን ዝኸዳኦ ዝነበራ ጕዕዞ ኣዝዩ ስለ ዘሕጸሮ፡ ኣገዳስነቱ ዝያዳ ዓብዩ'ዩ። ብቐረባ ግን ኣብ ጐዶቦ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ዓረብ ናብ ምዕራብ ዝሰዳኦ ነዳዲ ብኡ ስለ ዝሓልፍ ንኣገዳስነቱን ተነቃፍነቱን ዝያዳ የዕዝዞ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ፡ እቲ መስመርን ደቡባዊ ኣፍደገኡን ውሕስነት ክረክብ ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ ማለት'ዩ። ብሰንኪ ምፍራስ ሃገራዊ መንግስቲ ኣብ ሶማልያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት ሽበራዊ ምንቅስቓስን ቅርሰናን ምስዓቡ ይፍለጥ። ብፍላይ ኣብቲ መላግቦን ኣፍደገን ቀይሕ ባሕሪ ዝኾነ ወሽመጥ ዓደን ዝማዕበለ ናይ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ክሳራ ዘስዓበ ቅርሰና፡ ኣድህቦ ሓያል ቁጠባ ዘለወን ሃገራትን ትካላት ንግድን ዝሰሓበ'ዩ ነይሩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ እቲ ሓያሎ ሃገራት ወጻኢ ኢደን ዘእተዋሉ ካብ 2011 ጀሚሩ ኣብ የመን ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ፡ ንውሕስነት ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩሉ'ዩ። ጂኦ-ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ቀይሕ ባሕሪ፡ ከም ብሓድሽ ኣቓልቦ ሓያላት ሃገራት ዓለምን፡ ኣተኲሮ ሃገራት ናይቲ ዞባን እናሰሓበ ብምምጽኡ ሓያሎ ምዕባለታትን መናውራታትን ክርኣይዎ ጸኒሖም እዮም ብኢራን ከምዝድገፉ ዝንገረሎም የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ፡ ንርእሰከተማ ሰንዓ ብምቍጽጻር ማእከላይ መንግስቲ ናብታ ርእሰከተማ ደቡብ የመን ዝዀነት ወደባዊት ከተማ ዓደን ክዕግዝ ምግዳዶም ንጐረቤት ሃገር ስዑድያ ኣየቕሰናን። ንምእትእትታው ቀንዲ መቐናቕንታ ዝኾነት ኢራን ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ንምግታእ፡ ስዑድያ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ትርከቦ ሓደ ወተሃደራዊ ልፍንቲ ብምምስራት ነቲ ድሩት ዓቕሚ ጥራይ ሒዙ ዝተረፈ መንግስቲ የመን ብምስላፍ፡ ኣንጻር ሑቲ መጥቃዕትታት ከተካይድ ጸኒሓ። ነቲ ልፍንቲ ከምእትድግፍ ዘፍለጠት ኤርትራ ድማ፡ ኢማራት ዓረብ ኣብ ከባቢ ወደብ ዓሰብ ንኲናት የመን ዝምግብ ወተሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ ኣፍቂዳትላ። ህላወ ዓበይቲ ሓይልታት ኣመሪካ፡ ፈረንሳን ቻይናን ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ንስትራተጂያዊ ረብሓታተን ክብላ'ውን ኣብቲ ዞባ ጕሉሕ ወተሃደራዊ ህላወ ኣሎወን። ኣመሪካ፡ ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ካብ ግዜ ዝሑል ኲናት ጀሚራ ገዚፍ ወተሃደራዊ ህላወ ጸኒሑዋ'ዩ። ቀንዲ ሰፈር ማእከላይ እዚ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብኡ ምዃኑ'ውን መርኣያ ናይዚ'ዩ። እቲ ኣብ ሶማልያ ቀጻሊ ወተሃደራዊ መጥቃዕትታት ዘካይድ ኣብ ጂቡቲ ዓስኪሩ ዘሎ ሰራዊታ'ውን ኣካል ናይዚ'ዩ። ጂቡቲ፡ ብዘይካ'ቲ ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ዘሎ ወተሃደራዊ መዓስከር ፈረንሳ፡ ወተሃደራዊ መዓስከራት ቻይናን ጃፓንን 'ውን ኣአንጊዳ ትርከብ። ሩስያ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ ህልውናኣ ከተረጋግጽ ሃቐነታትን ፈተነታትን ከምእትገብር፣ ኣብቲ ዞባ እግራ እንተንቢራ ኸኣ ነቲ ዘሎ ስግኣታት ናብ ወጥርን ምትፍናንን ከይትቕይሮ ስክፍታታት ኣሎ። ህላወ ናይዞም ዓበይቲ ሓይልታትን ኲናት ዩክረይን ዘስዕቦ ወጥርታትን ኣብቲ ዞባ ምክፍፋላት፡ ምጥርጣራትን ዘይምትእምማንን ምፍጣሮም ከም ዘይተርፎም ይግመት።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61667714"} {"headline":"ኣብ ቤተክርስትያን መድሃኔ-ኣለም ኣኽሩር እንታይ እዩ ተፈጺሙ?","content":"ኣባላት ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ፡ ብሰንበት ኣብ ሰዓታት ንግሆ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን መድሃኔ-ኣለም ኣኽሩር ብምእታው ነቶም ኣብ ጸሎት ዝነበሩ መንእሰያት ከምዝገፈፍዎም ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም። እቶም ወተሃደራት ኣብቲ ቤተክርስትያን ዝጸንሕዎም ድያቆናትን መዘምራንን ኣገልገልቲ'ቲ ቤተክርስትያን ከይተረፈ ከምዘይገደፉ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ። ካብ ቅድሚ ወርሒ ኣትሒዙ ሓይልታት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለያ ዓድታት ጽንዓደግለ ዓስኪሮም ነቶም ካብ ሰራዊት ኮብሊሎም ዝበልዎም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ ነቶም ዓቕሚ ኣዳም በጺሖም ክነሶም ግዴታዊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክፍጽሙ ናብ ሳዋ ዘይወረዱ መንእሰያት ክገፉ ከምዝቐነዩ ኣብ ቢቢሲ ተቓሊሑ ምንባሩ ይዝከር። እቶም ኮብሊሎም ንዝብልዎም መንእሰያት ንምግፋፍ ዝተዋፈሩ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ዓድታት ዓስኪሮም ዘለው ኣባላት ሰራዊት፡ ንስድራቤት እቶም ዘይረኸብዎም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ ኣባይቶም ብምውጻእ፡ ነቲ ገዛውቲ ብናቶም መፋትሕ ብምዕጻው ነቶም ስድራቤታት የከላብትዎም ከምዘለው ምንጭታት ሓቢሮም። መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብዚ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ይሳተፍ ከምዘሎ ዝኽሰሰሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኣገባብ መንእሰያት ይገፍፍን ንስድራቤታቶም የከላብትን ከምዘሎ ስድራ ግዳያት ንቢቢሲ ሓቢሮም። ተወላዲ እታ ዓዲ መንእሰይ ፍጹም፡ እቲ ስርዓት፡ ጥሪትን ጤለበጊዕን ናይቶም \"ደቅኹም ኮብሊሎም\" ዝብሎም ስድራ ቤታት ንበረኻ ከይወፍራ ኣብ ደምበ ብምድጓን፡ “ነተን ጥሪት ብጥሜትን ጽምእን ዓዕ የብሉወን” ከምዘለው ብተወሳኺ ይሕብር። ኣብ ስድራቤቶምን ጥሪቶምን ዝወርድ ግፍዕን መከራን ክጻወርዎ ዘይከኣሉ ሓያሎ መንእሰያትን ኣለይቲ ሰድራን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ከኣ፡ ምእንቲ ድሕነት ስድራ ቤቶም ክብሉ ብፍቓዶም ኢዶም ይህቡ ከምዘለው እቶም ምንጭታት የረድኡ። ሓያሎ ካብዞም ሕጂ ዝህደኑ ዘለው ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ገሊኦም ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣብ ሰራዊት ኣገልጊሎም ፍታሕ ምስ ሰኣኑ ደቈምን ኣረጋውያን ስድራኦምን ንኽጥውሩ  ዝኾብለሉ ከምዝኾኑ ዝሕብር ፍጹም፡ “መንእሰያት ንኽንደይ ዓመት እዮም ሞሳን ጻማን ኣብ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ክቝረኑ ዝግደዱ?” ክብል ኣምሪሩ ይዛረብ። እቶም ንዓመታት ድሕሪ ምግልጋል ክጣየሱን ናብራኦም ክመርሑን ዕድል ስለዘይረኸቡ፡ ደቈምን ስድራኦምን ክናብዩ ካብቲ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣግልገሎት ዝተኣልዩ ኣባላት፡ ኣብ ዘይኣምንሉን ዘይድግፉዎን ኲናት ጐረቤት ክሳተፉ ድሌት ከምዘይብሎም ፍጹም ይሕብር። ኣብቲ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ወርሒ ነሓሰ ዳግማይ ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጎድኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዃን ይዋጋእ ከምዘሎ ዝገልጽ ክስታት እኳ እንተሎ፡ መንግስቲ ኤርትራ ዛጊት ዝሃቦ ወግዓዊ ምላሽ የለን። ከም ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን ዝኣመሰላ ኣህጕራውያን ትካላት ተጣበቕቲ ሰባዊ መሰላት፡ ገደብ  ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ፡ ቀንዲ ጠንቂ ፍልሰትን ስደትን መንእሰያትን ግህሰት ሰባዊ መሰላትን ምዃኑ ብተደጋጋሚ ክገልጻ ጸኒሐን እየን። መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ ኵሉ እቲ ብምዕራባውያን ሃገራትን ትካላት ሰባዊ መሰላትን ብዛዕባ ምሕደራኡ ዝወሃብ ርእይቶ ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ንምስይጣኑ ዝእለም ውዲትን ምዃኑን እዩ ዝገልጽ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c7288ld1q5jo"} {"headline":"ኣዘዝቲ ሰራዊት ሱዳን ስልጣን ንሲቪላዊ መንግስቲ ከረክቡ ተሰማሚዖም","content":"ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ፡ ኣብ መንጎ ንዲሞክራሲ ዝድግፍ ጥምረት ሓይልታት ናጽነትን ለውጥን ብኣዘዝቱ ሰራዊት ዝምራሕ ምምሕዳርን፡ ሲቪላዊ መንግስቲ ንምቛም ዘኽእል ኣናዊ ስምምዕ ተፈሪሙ ። እቲ ውዕል መረጻ ክሳብ ዝካየድ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሕ ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት ዘኽእል እዩ። እንተኾነ ድሮ እቲ ውዕል፡ ነቲ ዕልዋ ዘካየዱ ሰባት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ብዝጠልቡ ሰልፈኛታት ተቓውሞ ገጢምዎ ኣሎ። እቲ ተቓውሞ ኣብ ኣብ ርእሰከተማ ካርቱም ዝተጀመረ ኮይኑ ኣብ መላእ እታ ሃገር ክቕጽል ከምዝኽእል ይግመት። ናይ ነዊሕ እዋን መራሒ እታ ሃገር ነበር ዑመር ኣልበሽር ድሕሪ ከቢድ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ ሚያዝያ 2019 ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ፡ ሱዳን ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣትያ ትርከብ። ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሃገራት ኣዕራብን ምዕራባውያንን ኣብታ ሃገር ምርግጋእ ንምስፋን፣ ተቓውሞታት ደው ንምባልን ዝተረመሰ ቁጠባ እታ ሃገር ንምድሓን፡ ኣብ ሞነጎ እቲ ወታሃደራዊ ምምሕዳርን ሲቪልን ዝግበሩ ድርድራት ክድግፉ ጸኒሖም። እንተኾነ ግና እቲ ሎሚ ሰኑይ ዝተፈረመ ውዕል ‘ነይበርሁድ ረዚስታንስ ኮሚተ’ ዝተባህለ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ክመርሕ ዝጸንሐ ውዳበ ተቓዊምዎ'ሎ። እቲ ማሕበር ከም ጀነራል ዓብዱል ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝበሉ መራሕቲ ብሞት እቶም ኣብ ሰልፍታት ኣንጻር ዕልዋ ዝተቐተሉ ዜጋታት ክሕተቱ እዩ ዝጠልብ። ብዘይካ'ዚ፡ እቲ ስምምዕ ምምሕያሽ ትካላት ጸጥታ ዘይሓውስ ብምዃኑ እቲ ወታሃደራዊ ክንፊ ምስ ሓይሉ ክቕጽልን ዲሞክራስያዊ ስግግር ከተዓናቕፍ ክገብርንእ ዘኽእል እዩ ዝብል ስክፍታ ፈጢሩ ኣሎ። ፖለቲካዊ መራሕቲ ግና ፡ ፍትሕን ካልኦት ምምሕያሻትን ኣብ ቀጻሊ ዝርርብ ከምዝረኣዩ ይገልጹ። ሰራዊት ሱዳን፡ ኣብ ጥቅምቲ 2021 ነቲ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ኣል-በሽር ዝተመስረተ መሰጋገሪ መንግስቲ ብምፍራስ ስልጣን ምጭባጡ ይዝከር። ነቲ ዕልዋ ዘይተቐበሉ ሱናውያንን ክሳብ ሕጂ ህዝባዊ ተቓውሞታት ከካይዱ'ዮም ጸኒሖም።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c9e178v0evno"} {"headline":"ኣብ ሱዳን ዝተኻየደ ሰፊሕ ህዝባዊ ተቓውሞ ስዒቡ 9 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሱዳን ኣብ ዝተኻየደ ሓያል ህዝባዊ ተቓውሞታት ብውሕዱ 9 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሓካይም ሓቢሮም። ዝበዝሑ ካብቶም ግዳያት ብሓይልታት ጸጥታ ዝተቐትሉ ምዃኖም እቶም ምንጭታት ገሊጾም። እቶም ሰብሞያ ሕክምና ከምዝበልዎ፡ ሓይልታት ጸጥታ ንዝቖሰሉ ናዕበኛታት ንምሓዝ ናብ ሆስፒታላት ክኣትዉ ፈተነታት ከካይዱ ተራእዮም። እቶም ተቓውሞታት ዘካይዱ ዘለዉ ዜጋታት፡ ሰራዊት እታ ሃገር ነቲ ብዕልዋ ዝጨበጦ ስልጣን ከረክብ'ዮም ዝጠልቡ ዘለዉ። እቲ ትማሊ ሓሙስ ክካየድ ዝወዓለ ተቓውሞታት እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ። ብሓሙስ ኣብ ርእሰከተማ ካርቱምን ኦምዱርማንን፡ ናዕበኛታት ጽርግያታት ብምዕጋት፡ ጭርሖታት ብምልዓልን ኣንጻር ሰራዊት እታ ሃገር ተቓውሞታት ከስምዑ ውዒሎም። ፖሊስ፡ ነቶም ናብ ቤተመንግስቲ ፕረዚደንት ሱዳን ዘምርሑ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝን ጥይትን ከምዝተኮሱ ጸብጻባት ሓቢሮም። ሰብመዚ ሱዳን፡ ንውዳበ ናይቶም ተቓወምቲ ንምዕንቃፍ'ውን ኣገልግሎታት ኢንተርነትን ቴለፎንን ክቖርጽዎ ተገዲዶም ነይሮም። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2021፡ ሰራዊት ሱዳን ንመሰጋገሪ መንግስቲ'ታ ሃገር ብምፍራስ: ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ንዝርከቦም ሲቪላውያን መራሕቲ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታው ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ምንባሩ ይዝከር። እቲ ኣዋጅ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ ተላዒሉ'ሎ። ኣዛዚ ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን ሌ\/ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ኣብ መንጎ ሲቪላውያን መራሕቲ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ውሽጣዊ ቁርቁስ ነቲ ስጉምቲ ክወስዱ ከምዝተገደዱ'ዩ ዝምጉት። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ንሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ'ውን፡ ሰራዊት ሱዳን ፖለቲካዊ ስልጣን ክብሕት ዕላማ ከምዘይብሉ ብምጥቃስ፡ ድሕሪ ምርጫ ስልጣን ንሲቪላውያን ክርከብ ምዃኑ ተዛሪቡ። እቲ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት፡ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ከባቢ ኣሰሓሓቢ ዶባዊ ከባቢታት ኣል-ፋሻጋ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ድሕሪ ምርጻሙ'ዩ ዝቕጽል ዘሎ። ንፖለቲካዊ ቅልውላው ሱዳን ንምፍታሕ ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት ክካየድ ዝጸንሐ ንብዙሓት ሓይልታት ዘጠቓለለ ልዝብ ዛጊት ጭቡጥ ፍረ ኣየምጽአን። ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር ነቶም ተቓውሞታት ዘስምዑ ሱዳናውያን ደጊፉ ብምባል መብርሂ ክህብ ከምዝተሓተተ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ገሊጹ። ፍሉይ ሉኡኽ ቮልከር ፐርዝስ፡ ሰብመዚ ሱዳን \"ኣብ ልዕሊ ናዕበኛታት መጠኑ ዝሓለፈ ሓይሊን ጎነጽን ካብ ምጥቃም ክሕየቡ ኣለዎም\" ክብል ድሕሪ ምዝራቡ'ዩ መብርሂ ክህብ ተጸዊዑ። ኣብ 2019፡ ሱዳናውያን ብዘካየድዎ ህዝባዊ ናዕቢ ነቲ ካብ 1989 ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ከምዝኣለዩዎ ይዝከር። እንተኾነ ግን፡ ካብ ስልጣኑ ካብ ዝእለ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት፡ ኣባላት ሰልፊ ሃገራዊ ኮንግረስ (ኤንሲፒ) ነበር፡ በቲ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ወተሃደራዊ ጕጅለ ኣገዳሲ ጽፍሕታት ይወሃቦም ስለ ዘሎ፡ ፖለቲካዊ ምልሶት ከይከውን ብዝብል ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cy69y0zd67po"} {"headline":"ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣመሪካውያን ሕጊ ብረት'ታ ሃገር ክተርር ፀዊዖም","content":"ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ኣመሪካውያን ሰልፈኛታት ሕጊ ብረት (ጠበንጃ) ኣሜሪካ ክተርር ዝፅውዕ ሰልፊ ኣካይዶም። ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተፈፀሙ ጃምላዊ ተዅሲታት፡ ኣመሪካውያን ናብ ኣደባባያት ወፂኦም ነዚ ፃውዒት ከቕርቡ ደሪኹ ኣሎ። ኣብዞም ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰልፍታት፡ “ብብረት ናይ ዘይምቕታል ናፅነት እደሊ እየ!፣ መሰረታዊ ለውጢ ሕዚ!” ዝብሉን ካልኦትን ጭርሖታት ተሰሚዖም። ፕረዝደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ነዞም ሰልፍታት ብምድጋፍ ኮንግረስ እታ ሃገር፡ “ሕጊ ድሕነት ብረት ከሕልፍ (ክድንግግ)” ፀዊዑ። ኣብቲ ዝሓለፈ 24 ጉንበት፡ ኣብ ቴክሳስ ኣብ ሓደ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈፀመ ተኹሲ 19 ህፃናትን ክልተ ኣባፅሕን ተቐቲሎም እዮም። እዚ መጥቃዕቲ እዝን ካልእ ኣብ ቡፋሎ ኒውዮርክ 10 ሰባት ዝቐተለን መጥቃዕቲ፡ መንግስታ እታ ሃገር ኣብ ቁፅፅር ብረት ተግባራዊ ስጉምቲ ክወስድ ዝፅውዑ ሰልፍታት በርቲዖም ክካየዱ ምኽያት ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ቁፅፅር ብረት ሕጊ ክፀድቕ ዝጉስጉስን ነዚ  ዝድግፍ ሰልፍታት ዘዋድድን ‘March For Our Lives’ ዝተብሃለ ጉጅለ፡ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ፣ ሎስ ኣንጀለስ፣ኒውዮርክን ቺካጎን ሓዊሱ 450 ሰልፍታት ተቓውሞ ከምዝካየዱ ኣፍሊጡ። እዚ ጉጅለ፡ ኣብ 2018 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ ኣሜሪካ ቤት ትምህርቲ ፓርክላንድ ካብ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ውፃእ መዓት ብዝኾኑ ሰባት ዝተመስረተ እዩ። ጉጅለ ‘March For Our Lives’፡ ሰባት እናሞቱ ፖለቲከኛታት ኮፍ ክብሉ” ከምዘይፈቅድ ገሊፁ። ኣባል ቦርድ እቲ ጉጅለ ትሬቮን በስሊ፡ “ካብ ሕዚ ንደሓር፡ ሰባት እናሞቱ ኮፍ ክትብሉ ኣይንፈቕደልኩምን ኢና\" ኢሉ። ውፃእ መዓት እቲ ኣብ ፓርክላንድ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዝኾነ ዴቪድ ሆግ፡ እቲ ኣብ ዩቫልዲ ዝተፈፀመ ቅትለት ህፃናት፡ “ከቖጥዐና ይግባእ፡ ለውጢ ክመፅእ ድማ ክንጠልብ ኣለና። መወዳእታ ዘይብሉ ክትዕ ዘይኮነስ፡  ሕዚ ለውጢ ክመፅእ ንጠልብ!” ክብል ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተዛሪቡ። ኣብቲ ዝሓለፈ 14 ጉንበት ኣብ ቡፋሎ፡ ኒውዮርክ ብዓሌታውነት ጓል 86 ዓመት ወላዲቱ ዝተቐተለቶ ጋርነር ዊትፊልድ ድማ፡ “ፍትሒ ክንጠልብ ኢና ኣብዚ ዘለና። ምስቶም ሕጊ ጠበንጃ ተግባራዊ ክኸውን ዝጉስጉሱ ዘለዉ ኣብ ጎኖም ንምዃን ኢና ኣብዚ ዘለና” ኢሉ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c0dv07mk99lo"} {"headline":"ኲናት ዩክረይን፡ ሩስያ ኣብ ምኽታት ዕቝር ሰራዊት ጌጋታታ ተኣሚና","content":"ሩስያ፡ ህዝባዊ ተቓውሞ እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ዕቝር ሰራዊታ ኣብ ኲናት ዩክረይን ከተኽትት ኣብ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ጌጋታት ከምዝተፈጸመ ተኣሚና። ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ሩስያ፡ ዲሚትሪ ፔስኮቭ፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ \"እቲ ኣዋጅ ዝተጥሓሰሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ፤ ኵሉ ጌጋታት ከኣ ክእረም እዩ\" ብምባል ኣብቲ መስርሕ ጌጋታት ይፍጸሙ ከምዘለዉ ተኣሚኑ። ኣብ ገለ ዞባታት \"ኣመሓደርቲ ነቲ ኵነታት ንምእራም ብንጥፈት ይሰርሑ ከምዘለዉ\" ብተወሳኺ ገሊጹ። ኣብ ሩስያ ብዝግበር ዘሎ ዝትግበር ዘሎ ኣዋጅ ክተት፡ ወተሃደራዊ ተመኵሮ ዘይብሎም ሰባት - ወይ ድማ ኣዝዮም ኣረጋውያንን ስንኩላንን - ይጽውዑ ከምዘለዉ ብዙሓት ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣንጻርቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወጸ ኣዋጅ ጻውዒት ክተት፡ ሰፊሕ ተቓውሞታት ተበጊሱ ኣሎ። ፕረዚደንት ፑቲን፡ ነቲ ኣዋጅ ጻውዒት ብ21 መስከረም ‘ከፊላዊ ክተት’ ክብል ዝገለጾ ኰይኑ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ሰርጌይ ሾውጊ ድሒሩ 300 ሽሕ ዕቝር ሰራዊት ክጽዋዕ ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ። እንተዀነ፡ ኣብ ማዕከናት ዜና ተቓወምቲ ሩስያ ዝወጹ ጸብጻባት፡ ክሳብ ሓደ ሚልዮን ሰባት ክጽውዑ ከምዝኽእሉ ብምሕባር፡ ኣብቲ ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ክረምሊን ዝተሓትመሉ ኣዋጅ፡ ንብዝሒ ዝኸቱ ሰባት ዝምልከት ሓበሬታ ከምዝተገድፈ ይገልጹ ። ብርክት ዝበሉ ወተሃደራዊ ክኢላታት ምዕራብን ዩክረይንን፡ ፕረዚደንት ፑቲን ዕቝር ሰራዊት ክጽውዕ ምውሳኑ፡ ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ዓውደ ውግእ ዩክረን ዕውታት ከምዘይኰኑ ዘርኢ ምዃኑ እዮም ዝገልጹ። ሩስያ፡ ወራራ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ካብ እትጅምር፡ ልዕሊ 7 ኣዋርሕ ኣቍጺራ ኣላ። እቲ ጻውዒት ካብ ዝእወጅ ጀሚሩ፡ ኣብ መላእ ሩስያ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ፡ ልዕሊ 2000 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ። ወሃቢ ቓል ፕረዚደንት ሩስያ፡ ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዶባት ሩስያ ንምዕጻውን ኣብታ ሃገር ‘ወተሃደራዊ ሕጊ’ ንምንባር ዝተመሓላላፈ ዝዀነ ይዅን ውሳነ ከምዘይፈልጥ፡ ብተወሳኺ ገሊጹ እዩ። ኣቐዲሙ ዝወጸ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና፡ ናብ ወጻኢ ሃገራት ክሃድሙ ዝኽእሉ ሰባት ደው ንምባል እዚ ክግበር ከምዝኽእል ይሕብሩ ነይሮም። እቲ ጻወዒት ካብ ዝእወጅ ኣትሒዙ፡ ብዙሓት መንእሰያት ሩስያውያን ካብታ ሃገር ክወጹ ክፍትኑ ተራእዮም። ብሳተላይት ዝተወስደ ምስሊ፡ ኣብ ዶብ ጆርጅያ ነዊሕ ሪጋ መካይን ሩስያ ከምዘለዋ የርኢ። ኣብዚ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ሓደ ሰብኣይ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ከተማ ሳይቤርያ ኡስት-ሊምስክ ንሓደ መኮነን ምልመላ ሰራዊት ብኸቢድ ኣቝሲልዎ። እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ፡ ናብቲ መኮነን ቀሪቡ ድሕሪ ምጽግዑ፡ ጥይት ክትኩሰሉ እንከሎ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ኣሎ። ብድሕሪኡ ኣብቲ ህንጻ ናብ ዝነበሩ ሰባት ክትኵስ እንከሎ፡ ብስንባደ ክሃድሙ ተራእዮም። ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ሰሜን ካውካሰስ እትርከብ ሪፓብሊክ ዳጌስታን ሩስያ፡ ሰባት ብሰንኪ እቲ ጻውዒት ክተት ምስ ፖሊስ ተጋጭዮም። ኣብ ርእሰ ከተማ እቲ ዞባ ማካችካላ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ፡ ልዕሊ 100 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ናጻ ተቘጻጻሪ ሰብኣዊ መሰላት ሩስያ ኦቪዲ-ኢንፎ ገሊጹ። ኣብ መላእ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ማእከላት ስልጠናን ካልኦት ምምሕዳራዊ ህንጻታትን ብርክት ዝበሉ መጥቃዕቲታት ከምዝተፈጸሙ እውን ጸብጻባት ሓቢሮም እዮም። ፑቲን ዝሓለፈ ሰሙን ብዛዕባ እቲ ኣዋጅ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ክንደይ ዕቝር ሰራዊት ከምዝጽውዑ ኣይነጸረን። ሚስተር ሸውጉ ድሕሪ እቲ ፕረዚደንት ብቕጽበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ 300 ሽሕ ዕቝር ሰራዊት - ወተሃደራዊ ተመኵሮ ዘለዎምን ፍሉይ ክእለት ዘለዎምን ሰባት - ክምዝገቡ ምዃኖም ገሊጹ። እዚ ካብቲ ሩስያ ዘለዋ 25 ሚልዮን ዕቝር ወተሃደራዊ ዓቕሚ ኣስታት 1 ሚእታዊት ምዃኑ እቲ ሚኒስተር ገሊጹ። እቲ ኣዋጅ ጻውዒት፡ ዝተወሰነ ገደብ ዕድመን ስንክልናን ከምዝግበር'ኳ እንተገልጸ፡ ተወሳኺ ዝርዝር ግን ኣይሃበን። ካብ 18-60 ዓመት ዝዕድመኦም ደቂ ተባዕትዮ - ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ካብኡ ንላዕሊ - ክኸቱ ከምዝኽእሉ ይእመን። ገለ ወሃብቲ ርእይቶ ሩስያ፡ እቲ ጻውዒት ድሩት ክኸውን እዩ ዝብል መብጽዓታት ፕረዚደንትን ሚኒስተር ምክልኻሉን ከም ዘይኣምንዎ ይገልጹ። ኣብቲ ኣዋጅ ብዛዕባ ገለ ፍሉያት ነገራት፡ ንኣብነት ተመሃሮ ዘይምምልማል ዝገልጽ ነገር'ኳ እንተሎ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ከምዘየለ እዩ ዝንገር። እዚ ድማ ኮታ ንምምላእ ንመን ከም ዘሰልፉ ንኽውስኑ ንሓለፍቲ ክልላት ክፉት ገይርካ ክግደፍ ምዃኑ እዩ ዘመልክት። ፕረዚደንት ፑቲን ብ24 መስከረም፡ ተመሃሮ እቲ ኣዋጅ ከምዘይምልከቶም ገሊጹ ነይሩ። ሩስያ፡ ብ24 ለካቲት ወራራ ቅድሚ ምጅማራ፡ ኣብ ዶባት ዩክረይን ኣስታት 190 ሽሕ ወተሃደራት ኣውፊራ ነይራ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1ele4w4j5o"} {"headline":"ቡርኪናፋሶ፡ ወተሃደራዊ መራሒ ድሕሪ ዕልዋ ብወግዒ ስልጣኑ ክለቅቕ ተሰማሚዑ","content":"ዝሓለፈ ዓርቢ ብዕልዋ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ወተሃደራዊ መራሒ ቡርኪናፋሶ፡ ብወግዒ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ከምዝተሰማምዐ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን 'ታ ሃገር ገሊጾም። እቲ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሌተናል ኰሎነል ፖል-ሄንሪ ዳሚባ ስልጣኑ ዝለቀሉ ዘቐመጦ ቅድመ ኵነት፡ በቲ ሓድሽ መራሒ እታ ሃገር ምዃኑ ዘፍለጠ ካፕተን ኢብራሂም ትራኦረ ተቐባልነት ከምዘረኸበ፡ እቶም ዓበይቲ ዓዲ ገሊጾም። እዚ መግለጺ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትካላት ፈረንሳ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ስዒቡ ዝመጽአ ኰይኑ፣ ኣቐዲሙ ሌ\/ ኰ ዳሚባ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ፈረንሳ ተዓቚቡ ምህላው ተነጊሩ ነይሩ እዩ። እዚ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ዕልዋ፡ ኣብዚ ዓመት ዝተኻየደ ካልኣይ ዕልዋ መንግስቲ እዩ። ኣብ ክልቲኡ ፍጻመታት፡ ከም ድርኺት ምምንዛዕ ስልጣን ዝቐርብ ምኽንያታት፡ እታ ሃገር ኣትያቶ ዘላ ኣሰቃቒ ጸጥታዊ ኵነታትን፡ ፍሽለት ንብድሆ እስላማዊ ምንቅስቓስን እዩ። ቡርኪናፋሶ ክሳብ 60 ሚእታዊት ካብ ግዝኣታ ጥራይ ትቈጻጸር ከምዘላ ክኢላታት የመልክቱ፤ እስላማዊ ዓመጽ ድማ እናገደደ ይመጽእ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ። ሕብረት ኣፍሪቃ ምስ ዞባዊ ቍጠባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ (ኢኮዋስ) ብምስምማዕ፡ ኣብታ ሃገር እንተወሓደ ክሳብ ሓምለ 2023 ቅዋማዊ ስርዓት ክምለስ ሓቲቱ ነይሩ፤ ምብራር ሌ\/ ኮ ዳሚባ ኸኣ \"ኢ-ቅዋማዊ\" ክብል ገሊጽዎ። ኢኮዋስ ኣቐዲሙ፡ እታ ሃገር ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ንኽትምለስ ኣብ እትሰርሓሉ ዘላ እዋን፡ ወተሃደራት ስልጣን ክምንዝዑ \"ዘይግቡእ'ዩ\" ክብል ገሊጹ። እቲ ስልጣን ሒዙ ዝጸንሐ ኰሎነል ዳሚባ፡ ዛጊት ብቐጥታ ዝተዛረቦ ነገር የለን። እንተዀነ፡ እቶም መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን፡ ኰሎነል ዳሚባ ባዕሉ፡ \"ክስዕብ ንዝኽእል ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ንምግታእ\" ስልጣኑ ክለቅቕ ከም ዘረጋገጸሎም ምግላጾም፡ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ይሕብር። ምስዚ ተተሓሒዙ፡ ዳሚባ ስልጣኑ ክለቅቕ እንተዀይኑ፡ ውሕስነት ድሕነቱ ክረጋገጽ፡ እቲ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕሪታት ንሃገራዊ ዕርቂ ክቕጽል፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ሲቪላዊ ምሕደራ ንኽምለስ ውሕስነት ክህሉ ዝብሉ ዝርከብዎም፡ ክፍጸሙ ኣለዎም ዝበሎም 7 ቅድመ ኵነታት ኣቐሚጡ ከም ዘሎ ተፈሊጡ። እቲ ሕጂ ስልጣኑ ዝተመንዝዐ ኮሎነል፡ ነቲ ኣብታ ሃገር እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዕጡቕ እስላማዊ ዓመጽ ክገጥሞ ኣይከኣለን ኢሉ ብምኽሳስ እዩ፡ ንፕረዚደንት ሮኽ ካቦረ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ‘ዚ ዓመት’ዚ ካብ ስልጣኑ ኣውሪድዎ ነይሩ። ኣብታ ቡርኪናፋሶ ዝነብሩ ብዙሓት ዜጋታት፡ ውሕስነት ካብ ዝስእኑ ነዊሕ እዋን ኰይኑ ምህላዉ እዩ ዝግለጽ። ኣብ 2015 ዝተላዕለ እስላማዊ ምንዕዓብ፡ ኣሽሓት ሰባት ክሞቱን ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ክፈናቐሉን ምኽንያት ኰይኑ እዩ። ቡርኪናፋሶ ኣብ 1960 ናጽነት ካብ እትረክብ ንነጀው ንታሽዓይ ግዜኣ ዕልዋ መንግስቲ ተአንግድ ኣላ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c0vgvygejwlo"} {"headline":"ኣብ ኣመሪካ 19 ህጻናት ተምሃሮ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ዝርከቡዎም 21 ሰባት ተቐቲሎም","content":"ኣብ ኣመሪካ ደቡብ ቴክሳስ ኣብ ሓደ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 19 ህጻናት ሓዊሱ 21 ሰባት ከም ዝሞቱ ተገሊጹ። እዚ ኣብ ከተማ ዩቫልዲ ዝርከብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ሮብ ዝወረደ መጥቃዕቲ፡ ሓደ ወዲ 18 ዓመት መንእሰይ ዝፈጸሞ ምዃኑ ሰብ መዚ ሓቢሮም። መርመርቲ እቲ ጥርጡር፡ ኣብ ናይ ኢድ ሽጉጥን ኣውቶማቲክ ሽጉጥን ሒዙ ከም ዝነበረ እዮም ዝገልጹ። ንሱ፡ ኣብ መጀመርታ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመሉ ግዜ ንዓባዩ ብጥይት ከም ዝሃረመ ተሓቢሩ። ማዕከናት ዜና እቲ ከባቢ፡ እቲ ውልቀሰብ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተመሃሪ ክኸውን ከም ዝኽእል ይገልጻ። ኣመሓዳሪ ቴክሳስ ግሬግ ኣቦት እቲ ሳልቫዶር ራሞስ ዝተባህለ ውልቀሰብ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ብመኪና መጺኡ \"ብዘሰክፍን ንምርዳእ ብዘጸግምን ኵነታት\" ተዅሲ ከፊቱ ኢሉ። ሓንቲ ካብቶም ግዳያት፡ ኢቫ ሚርለስ ዝተባህለት መምህር ኮይና፡ ኣደ ሓንቲ ቈልዓ ከም ዝኾነትን ጉያን እግሪ ጕዕዞን እትፈቱን ከም ዝነበረት እቲ ቤት ትምህርቲ ገሊጹ። ኣብቲ ብብዝሒ ዓሌት ሂስፓኒክ ዝርከብሉ ቤት ትምህርቲ 500 ተመሃሮ ጥራይ እዮም ዝመሃሩ። መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ሮብ፡ ዕድሚኦም ካብ ሸውዓተ ክሳብ ዓሰርተ ዓመት ዝኾኑ ተምሃሮ ካልኣይ፡ ሳልሳይን ራብዓይን ክፍሊ ዝምሃርሉ ቤት ትምህርቲ እዩ። ማዕከን ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ፡ እቲ መጥቃዕቲ ክፍጸም እንከሎ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰብ መዚ ሓለዋ ዶብ ኣመሪካ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ቀልጢፎም ከም ዝበጽሑን ነቲ ዕጡቕ ከም ዝቐተሉዎን ሓቢሩ። እታ ከተማ፡ ካብ ዶብ ሜክሲኮ 128 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ እትርከብ ስለ ዝኾነት፡ መደብር ሓለዋ ዶብ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብታ ከተማ ኣሎ'ዩ። ምስቲ ውልቀሰብ ኣብ ዝነበረ ምልውዋጥ ተዅሲ ድማ፡ ክልተ ኣባላት እቲ ኤጀንሲ ብጥይት ዝተሃረሙ ኰይኖም፡ ሕጂ ኣብ ሆስፒታል ክንክን ይግበረሎም ምህላው ሰብ መዚ ሓቢሮም። ማዕከን ዜና ሲቢኤስ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀሰብ መከላኸሊ ጥይት ተኸዲኑ ምንባሩ ገሊጹ። ብ14 ግንቦት ኣብ ኒውዮርክ ከተማ ቡፋሎ ኣብ ሓደ ሱፐር ማርኬት ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ካልእ ወዲ 18 ዓመት መንእሰይ'ውን፡ መከላኸሊ ጥይት ተኸዲኑ ብኸፊል ኣውቶማቲክ ሽጉጥ ዝሓዘ ነይሩ። እቲ ክልቲኦም ውልቀሰባት ዝተጠቐምሉ ሽጉጥ፡ ኣብ ኣመሪካ ብቐሊሉ ዝርከብ ዓይነት ሽጉጥ እዩ። ሆስፒታል እታ ከተማ ብፈይስቡክ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ 13 ተምሃሮ \"ብኣምቡላንስን ኣውቶቡስን\" ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም። ጓል 66 ዓመት ሰበይትን ቈልዓ 10 ዓመት ተምሃሪት ኣብ ጽኑዕ ኵነታት ከም ዝርከባ'ውን ተገሊጹ ኣሎ። በዞም ኣብ እኩብ ሰባት ዝፍጸሙ መጥቃዕታት \"ሰልችየን ደኺመን\" እየ ዝበለ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምቍጽጻር ብረት ክግበር ጸዊዑ። \"ብስም ፈጣሪ! ክንደይ ዝኣኽሉ ንኣሽቱ ቈልዑ'ዮም፡ ኣብ ሜዳ ውግእ ከም ዘለው፡ መሓዙቶም ክሞቱ ርእዮም? እዚ ንዘልኣለም ኣብ ዝኽሮም ክነብር'ዩ፡\" ብምባል ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጹ። ነቶም ግዳያት ንምዝካር ድማ፡ ኣብ ቤተ መንግስትን ካልኦት ኣብያተ ጽሕፈት ፈደራልን ባንዴራ እታ ሃገር ትሕት ኢሉ ክስቀል ኣዚዙ። እቶም ተመሃሮ ጽባሕ ሓሙስ ትምህርቲ ዝውድእሉ መዓልቲ'ዩ ነይሩ። ብሰንኪ እቲ ሕጂ ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ግን ናይዚ ዓመት ዝተረፈ ትምህርቲ ክስረዝ ተወሲኑ። ኣብ ኣመሪካ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ብለበዳ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 26 መጥቃዕታት ከም ዝተመዝገቡ ኢድዊክ ዝተባህለ ኣሕታሚ ትምህርቲ ዘውጽኦ ሓበሬታ የመልክት። እዞም መጥቃዕታት ኣብ መባእታውን ካልኣይን ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዝፍጸሙ ኮይኖም፡ ብ2012 ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ሳንዲ ሁክ ዝተፈጸመ ከቢድ መጥቃዕቲ ይጥቀስ። ኣብቲ ግዜ፡ ግዳያት ካብ ሞንጐ ዝኾኑ 26 ሰባት እቶም 20 ቈልዑ ሓሙሽተን ሽዱሽተን ዓመት ዝኾኑ እዮም ነይሮም። ብሰሉስ፡ ሴናተር ኮነክቲከት ክሪስ ማርፊ ኣብታ ሃገር ሕጊ ምቁጽጻር ብረት ክግበር ተማሕጺኑ። ሪፐብሊካን ሴናተር ቴክሳስ ቴድ ክሩዝ ግን፡ \"ኣይሰርሕን፤ ውጽኢታዊ ኣይከውንን። ሕጊ ምውጻእ ገበን ኣይከላኸልን፡\" ብምባል ነጺግዎ። ኣብ 2020 ኣብ ኣመሪካ፡ ጥይት ልዕሊ ሓደጋ መኪና ቀንዲ ሞት ህጻናትን መንእሰያትን ኮይኑ ከም ዝተመዝገበ ማእከል ምክልኻል ሕማማት ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዘውጽኦ ጸብጻብ የመልክት። እቲ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ 2020 ልዕሊ 4300 ኣመሪካውያን ህጻናትን ወርጠበታትን ምስ ዝተተኮሰ ጥይት ብዝተሓሓዝ ሓደጋ ህይወቶም ስኢኖም እዮም፡፡ ኣብ ኣመሪካ ብውልቀ ሰባት ዝውነኑ ልዕሊ 390 ሚልዮን ሽጉጥ ኣሎ። ብሰኑይ፡ ኤፍቢኣይ ኣብ 2020 ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅምር ንደሓር ብጥይት ዝፍጸሙ መጥቃዕታት ብኽልተ ዕጽፊ ከም ዝወሰኹ ሓቢሩ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61547536"} {"headline":"ዩክረይን ሓደ ሚልዮን ኣባላት ዘለዎ ሰራዊት ብምህናጽ ንሩስያ ክትገጥማ ምዃና ገሊጻ","content":"ዩክረይን ናይ 'ኔቶ' ኣጽዋር ዝዓጠቐ \"ሓደ ሚልዮን ዝኣባላቱ ሰራዊት\" ብምህናጽ ንሓይልታት ሩስያ ክትገጥሞም ምዃና ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ተዛሪቡ። ኦለክሲ ረዘኒኮቭ ከምዝበሎ፡ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ዘሎ ገማግም ዩክረይን ምምላስ ንቁጠባ እታ ሃገር ኣገዳሲ ምዃኑ'ውን ገሊጹ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ዓቢ ሰራዊት ናይ ምህናጽ ድሌት፡ ካብ መጉሳጎሲ ሓሊፉ ናብ ውጥን ዝኸደ ከምዘይኮነ ተዓዘብቲ ይእምቱ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ዶንባስ ኣገደስቲ ከተማታት ዝርከብዎ ሰፊሕ ካባቢታት ምቁጽጻሮም ይዝከር። እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ልዕሊ 7000 ኣባላት ሓይልታት ዩክረይን ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ሰብመዚ እታ ሃገር ሓቢሮም። እቲ ሚኒስተር ምክልኻል ምስ ጋዜጣ ዘ ታይምስ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ብምዕራባውያን ሃገራት ዝወሃብ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ክቃላጠፍ ኣለዎ ኢሉ። ብፍላይ ብሪጣንያ፡ ካብ ኣጽዋር ሕብረት ሶቬት ነበር ብምሕላፍ ብደረጃ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ዝሰርሕ ኣጽዋር ክትህቦም ምጅማራ ንኢዱ። \"ሂወት ወተሃደራትና ንምድሓን፡ ብብዝሕን ቀልጢፉን ክመጽእን የድልየና ኣሎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃወዘር [ተወንጫፊ ሮኬት] እንጽበየሉ መዓልቲ ሓደ ሚእቲ ወተሃደራት ክንከስር ንኽእል ኢና\"። \"ኣስታት 700,000 ዝግመቱ ኣባላት ሰራዊት ኣለዉና። ሓላዋ ሃገር፡ ፖሊስ፡ ከምኡ'ውን ሓለዋ ዶባት ምስ ወሰኽካሎም ከኣ፡ ሓደ ሚልዮን ዝኸውን ሓይሊ ኣለና\" ይብል ሚኒስተር ረዘኒኮቭ። ተንተንቲ ከምዝብልዎ ግን፡ እቲ ዝተዋህበ ኣሃዝ ዕቱብ ግምት ዝወሃቦ ኣይኮነን ክብሉ ይምጉቱ። \"ሓደ ሚልዮን ዝበጽሕ ሓይሊ ኣይኮነን ጸረ-መጥቃዕቲ ከካይድ\" ይብል ኣብ ሮያል ዩናይትድ ሰርቪስስ ኢንስትዩቲት ዝተባህለ ትካል ላዕለዋይ ተመራማሪ ዝኾነ ዶ\/ር ጃክ ዌትሊንግ። እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ መጥቃዕትታት ሩስያ፡ ብፍላይ ኣብ ዞባ ዶነትስክ ብዘይምቁራጽ ይቕጽል ኣሎ። \"ጸረ-መጥቃዕቲ ከተካይድ እንከለኻ፡ ስሪሒታዊ ሃደበትነት ክህልወካ ኢኻ ትደሊ፡ ስለዚ ብኸምዚ ብወግዒ ምግላጾም፡ ሩስያውያን ነቲ ስግኣት ንምግጣም ዓቕምታቶም ፋሕ ከብሉ ንምግዳድ ዝዓለመ'ዩ\" ይብል። ትማሊ ሰንበት፡ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ከባቢ ከተማ ክራማቶርስክ ኣብ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ሓደ ህንጻ ጥራይ 26 ሰባት ከምዝቐተሉ ጸብጻባት ሓቢሮም። ሰራሕተኛታት ሂወት ኣድሕን ግዳያት ንምርካብ ኣለሻ ቀጺሎም ኣለዉ ተባሂሉ። ሎሚ ሰኑይ ኣብ ከተማ ካርኪቭ ኣብ ዝተኻየደ ደብዳባት'ውን፡ ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት 31 ቆሲሎም። እንተኾነ ግን፡ ሰበስልጣን ምዕራባውያን ሃገራት፡ ሓይልታት ዩክረይን ኣብዚ እዋን'ዚ ጸረ-መጥቃቲ ክጅምሩ ከምዘይብሎም ንዩክሬናውያን ፖለቲከኛታትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ከምዝገለጽሎም ይገልጹ። ብኻል ወገን፡ ኣስታት 7,200 ዩክሬናውያን ኣባላት ምዱብ ሰራዊትን ካልኦት ትካላት ጸጥታን ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ሰብመዚ እታ ሃገር ሓቢሮም። ዝበዝሑ ካብኦም ብሩስያውያን ተታሒዞም ከምዝርከቡ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ። እቲ ኲናት ብ24 ለካቲት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ክልቲአን ሃገራት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ከምዝማረኻ ክገልጻ ምጽንሐን ይፍለጥ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cg39wer7xp4o"} {"headline":"ኤርትራ፡ ግፋ ‘ብዝኸፍአ መልክዑ’ ይቕጽል፣ ትካላትን መንበሪ ኣባይትን ይዕሸጉ","content":"ኣብ ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ክካየድ ዝጸንሐ ግፋን ጻውዒት ክተትን ብዝኸፍአ መልክዑ ይቕጽል ከም ዘሎን፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከባቢታትን፡ ገዛ ገዛ ብምእታው ዝግበር ተፍትሽ፣ ትካላትን መንበሪ ኣባይትን ምዕሻግ፡ መካይን ደው ኣቢልካ ምሕታትን፡ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝተራእዩ ግፋታት ብዝሓየለ ኣገባብ ይካየድ ምህላው ቢቢሲ ኣረጋጊጹ። ቢቢሲ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር፡ ከምኡ'ውን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ነቲ ኣብ ውሽጢ 'ታ ሃገር ዝኸውን ዘሎ ብቐረባ ካብ ቤተሰቦም ዝከታታልዎን ዝረኸቦ ሓበሬታ፡ ህዝቢ በቲ ኩነታት ተጸጊሙ ከምዘሎ ክርዳእ ክኢሉ ኣሎ። እቲ ዝካየድ ዘሎ ግፋ፡ “ካብ ሰራዊት ንዝኾብለሉን፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ንኣባላት ዕቝር ሰራዊት ዝተገብረ ጻውዒት ዘየኽበሩን ንምህዳን” ምዃኑ እቲ ምንጪ ይሕብር። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኤርትራ ትሕቲ 55 ዝዕድመኦም ኣባላት ዕቝር ሰራዊት ናብ ግንባር ንክኸቱ ጻውዒት ኣቕሪባ ምንባራ ዝፍለጥ እዩ። እንተዀነ “እቲ 55 ዝተባህለ ደረት ዕድመ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ክሳብ 60ን ልዕሊኡን ዝዕደመኦም ኣቦታት ከይተረፉ ተገዲዶም ይኸቱ ኣለው” ዝበለ እቲ ምንጪ፡ ነቲ ጻውዒት ዘየኽበሩ እናተሃድኑ ይግፈፉን ይጋፍዑን ከም ዘለው ሓቢሩ። \"ነዊሕ ዓመታት ካብ ሰራዊት ኮብሊሎም ዝነበሩ መንእሰያት ከኣ፡ ብዅሉ ተጻቢቦም ብግዲ ናብ ሰራዊት ይምለሱ ኣለዉ።\" ብኻልእ ወገን፡ ደቈም ዝተሓብኡ ወይ ንታዕሊም ዘይከዱ ስድራቤታት፡ ደቈም ከረክቡ እንተዘይኰይኑ ግን ገዛውቶም ክዕሸግ ምዃኑ ተነጊርዎም ኣሎ። ሓያሎ መንእሰያት ሕዱር ሕማም ዘለዎም ከይተረፉ ስድራና ካብ ዝከላበቱን ኣባይትና ካብ ዝዕጾን ብምባል ይኸቱ፣ ገሊኦም ከኣ ኣብ ፈቐዶ ጐቦታትን ስንጭሮታትን ተሓቢኦም ሕማቕ ሂወት የሕልፉ ከምዘለው ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኤርትራ ዝርከብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ቅድሚ ሕጂ ግፋ ኣብ ኤርትራ ዝውቱር’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ግን ንደቂ ኣንስትዮ ብኸምዚ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ኣገባብ ዘስገድድ ከም ዘይነበረ ምንጭታት ቢቢሲ የረድኡ። “እዚ ናይ ሕጂ ግፋን ጻውዒትን ዝኸፍአ ዝገብሮ፡ ንደቀንስትዮ ዘየናሕሲ ምዃኑ እዩ፡” ይብል። እቲ ኻልእ ክንርድኦ ዘለና፡ “እቲ ምጥቝቓም ነንሕድሕዱ እዩ እቲ ጐረባብቲ ዝተሓሳሶ ዘሎ፡” ብምባል፡ ብፍላይ እቲ ንደቀንስትዮ ዝግበር ዘሎ ጻውዒት በቲ ካብቲ ጐረባብቲ ዝነቅል ሓበሬታ ምዃኑ እቶም ምንጭታት የብርሁ። ጐረባብቲ ንምምሕዳራት ዝህብዎ ሓበሬታ ኸኣ ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ክጽውዓ ምኽንያት ኰይኑ’ሎ። ብመሰረት’ቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ከቢድ ጥዕናዊ ጸገም ዘለዎም፣ ሕዱር ሕማም ሽኮር ሃልይዎም’ውን ንኣብነት መርፍእ ዝውጋእ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ጥዕና ከም ምኽንያት ኣይቍጸርን፤ ሓቅነት እቲ ዝቐርብ ምኽንያትን ዝግበር ምጽራይን ኣብቲ ዝተባህለካ ምስ በጻሕካ ምዃኑ እዩ ዝንገር። ኣብ ገለ ምምሕዳራት ኣስመራ፡ ጸገም ጥዕና ዘለዎም ዜጋታት፡ ናይ ሕክምና ወረቓቕቶም ሒዞም’ኳ እንተቐረቡ፡ “ጉዳይኩም ኣብኡ ክረአ እዩ” ብምባል ብሃንደበት ብመካይን ጽዒኖም ተወሲዶም። ኣብ ከረንን ከባቢኡን’ውን ቅድሚ ሕጂ ብሰንኪ ሕዱር ሕማምን እርጋንን ካብ ሰራዊት ተሰናቢቶም ዝነበሩ ኣቦታት ከይተረፈ ብኣልማማ ብግዴታ ከምዝኸተቱ’ውን ምንጭታትና ብተወሳኺ ኣረዲኦም። ሓደ፡ ንድሕነቱ ስሙ ዘይነገረ፡ ኣብ ከረን ዝነብር ኤርትራዊ፡ ኣቦኡ ብሰንኪ ሕማም ንነዊሕ እዋን ኣብ ገዛ ተደርብዩ ከምዝነበረን ኣብዚ እዋን ኣብ ገዛ መጺኦም ከምዝወሰድዎ ንቢቢሲ ገሊጹ። \"ኣቦይ ኢዱ፡ እግሩ ዳርጋ ኵሉ ኣካላቱ እዩ ፈጥፈጥ ዝብሎ። ክንሕክሞ ፈቲንና ግን ኣብ ኤርትራ ሕክምና የለን። እዚስ እንታይ እዩ ክገብር፡ ኣቦይ ድራር ዓረር ኰይኑ ከይተርፍ ድቃስ ለይቲ ስኢነ ኣሎኹ፡\" ይብል። ድሕሪ’ቲ ብ 24 ነሓሰ 2022 ዳግም ዝተወልዐ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኵሉ ከባቢታት ኤርትራ መንእሰያት ብሓይሊ ምግፋፍ ክቕጽል ጸኒሑ ኣሎ። \"ዝዀነ ሰብ ብዝዀነ ምኽንያት ዝተርፍ ዳርጋ የለን።\" ኣብ ብዙሓት ገጠራት ኤርትራ፡ እቲ ክኸትት ዝድለ ሰብ ምስ ዘይርከብ፡ ንስድራ ቤቱ ካብ ገዛኦም ኣውጺኦም ኣብ ግዳም ከም ዘስፍርዎምን፡ ጥሪቶም ኣብ ደንበአን ከምዝዕሽጉወንን ክግለጽ ጸኒሑ እዩ። “እቲ ኣብ ገጠራት ክገብርዎ ዝጸንሑ ምክልባት፡ ኣብ ኣስመራ’ውን ጀሚሮምዎ ኣለው፣ ንስድራ ቤት ብኩፖን ቀበሌ፡ ብልቸንሳን ካልእን ከሰራጥይዎም ጀሚሮም ኣለው” ዝበለ ምንጭና፡ እቲ ኵነታት እናኸፍአ ይኸይድ ምህላው ሓቢሩ። ኣብ ርእሲኡ፡ “ንህዝቢ ኣብ ቀበሌታት ኣኪቦም ብምህዳድን ብምፍርራህን፡ ‘ኣብ ናይ መወዳእታ መድረኽ ህላወ ኢና ዘለና፣ ወያነ ክቕበር ኣለዎ፣ ደቅኹም እንተዘየምጺእኩም’ እናበሉ፡ ብዝወርድ ሳዕቤናት ተሓተትቲ ኢኹም ብምባል፡ ነቲ ህዝቢ ገዛ ክዕሽጉ፣ ፍቓድ ንግዲ - ልቸንሳ ከሕድጉን ካልእ ዝዀነ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ እናገለጹ ህዝቢ የሰራጥዩ ኣለው፡” ድሕሪ ምባል፣ “. . . ይገብርዎ ድማ ኣለው - መፈራርሒ ጥራይ ኣይኰነን፡” ይብል። ደቈም ዝተሳእኑ ወለዲ ወይ ሰብኣያ ዝተሓብአ ሰበይቲ ካብ ገዛ እናውጻእካ መንበሪ ኣባይቲ ከይተረፈ ምዕሻግ ንቡር ኰይኑ ምህላዉ ተፈሊጡ’ሎ። ቢቢሲ ዘዘራረቦም፡ ኣብ ኤርትራ ብዘሎ ኩነታት ኣሕዋቶምን ወለዶምን ኣብ ሻቕላ ዘለዉ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ወጻኢ ዝነብሩን ኣብ ቀረባ ግዜ ኤርትራ በጺሖም ዝተመልሱን ዜጋታት ነዚ ዝኸውን ዘሎ የረጋግጹ። ኣብ ዴንማርክ ዝቕመጥ ሽሙ ክዕቀብ ዝሓተተ ኤርትራዊ፡ 67 ንዝዕድመኡ ኣቦኡ ዋላ’ኳ ናብ ግንባር እንተዘየኽተቱዎ፡ እቶም ብዕድመን ከቢድ ጸገም ጥዕናን ኣብ ከተማታት ዝተረፉ ውሑዳት ስለዝዀኑ፡ ኣብ ከባቢ ገዛውቶም ብቐጻሊ ዋርድያ የውጽእዎ ምህላው ሓቢሩ። እቲ ኤርትራዊ ወሲኹ፡ “ናይ በዓል ኣቦይ ሲ ደሓን ነይሩ፡ እቲ ቀንዲ ዘሻቕለኒ ናይ ንእሽቶ ሓፍተይ እዩ፡” ይብል። ንእሽቶ ሓፍቱ፡ ዶብ ክትሰግር ስለዝተታሕዘት ኣብ ከባቢ ኣቝርደት ኣብ ዝርከብ ኮርመናዕ ኣብ ዝተባህለ ወተሃደራዊ መዓስከር ትዕለም ምንባራ፡ ሕጂ ግን ደሃይ ከምዘይብላ ይዛረብ። ወደ’ለዚና ብዝብል ሳጓ ዝጽዋዕ ኣብ ኣንጐላ ዝነብር ካልእ ኤርትራዊ፡ ድሕሪ’ቶም ዝተሰውኡን ዝተሰዱን ኣሕዋቱ፡ ስድራ ንኽኣሊ ተሪፉ ዝነበረ ንእሽቶ ሓው እናተሓብአን እናሃደመን ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ ግን ኣበይ ከም ዝኣተወ ፍጹም ደሃይ ስለዘይብሉ ከቢድ ሻቕሎት ከምዘለዎ ይገልጽ። “ንገዛ እናመጽኡ ንሰበይቱ ከከላብትዋ ስለዝጸንሑ፡ ዝሓዝዎ ወይ ንኣሃዱኡ ዝኸደ’ኳ ኣይመስለንን - ምኽንያቱ ኣይምተመላለሱን፣ ግን ኣብዚኣ ኣለኹ ድማ ኣይበለን፡” ኢሉ ብሃለዋት ሓው ዝስምዖ ስግኣት ብምግላጽ ሰበይቱ ኸኣ ምፍርራህ ምስ በዝሓ፡ እተን ጥሪት ንእንዳዓለቦይ ሓዲጋትሎም፡ ቈልዑታ ሒዛ ንባዕላ ናብ ስድራ ከይዳ ተሓቢኣ፡” ብምባል ነቲ ኣብ ስድራኡ ዝወረደ ምክልባትን ፋሕፋሕን ብኣስተንትኖ ይገልጽ። ነዊሕ ዓመታት ኣብ ኢጣልያ ተሰዲዳ እትነብር፡ ዝሓለፈ ክራማት ኣስመራ በጺሓ ዝተመልሰት ኤርትራዊት፡ “እዚ ጽንተት ጥራይ እዩ፣ እንታይ እየ’ሞ ክብል?” ትብል። “ብዛዕባ ኣሕዋተይ ጥራይ ክሓስብን ክሻቐልን ምሉእ ዕድመይ ኰይኑ፡” ብምባል ስምዒታ ትገልጽ። “ቀደም ኣብ እዋን ገድሊ፡ ኣሕዋተይ ክብል፡ ናጽነት ምስ ኰነ ኸኣ ንኣገልግሎት ብዝኸዱ ኣሕዋተይ ክሓስብ  ኲናት ዶባት ምስ መጽአ ብሃለዋቶም ክሻቐል መዓስ ‘ሞ ኣዕሪፈ ይፈልጥ፡” ብምባል፡ ነቶም ተስፋ ክዀኑዋ ኣጆኹም እትብሎም ዝነበረት ደቂ ስውእ ሓዋ’ውን እዚ ኵነታት ከምዘረኻኸበሎም ትዛረብ። ብፍላይ እታ ድሕሪ ታዕሊም ኣብ ሓደ ኣሃዱ ከም ራድዮ ኦፐሬተር ኰይና ከተገልግል ድሕሪ ምጽናሕ፡ “ኣብ  ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ኮብሊላ ኣብ ገዝኣ ዝጸንሐት” ጓል ሓዋ ክወስድዋ መጺኦም ምስ ሰኣንዋ፡ ገዛ ዓሺጐም ነታ ስድራ ስለዘከላበቱዋ ኣማራጺ ስኢና፡ ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ክትከይድ ከምዝተገደደት ትሕብር። እዚ ክልተ ዓመቱ ተገማጊሙ ዘሎ፡ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ መጋቢት 2022 ንሰብኣዊ ረዲኤት ተባሂሉ ብግዝያዊ ስምምዕ ሃዲኡ’ኳ እንተነበረ፡ ብ24 ነሓሰ ዳግማይ ተባሪዑ ምስ ኤርትራ ብዘዳውብ ሓያሎ ከባቢታት ውግእ ይቕጽል ኣሎ። ኤርትራ ከኣ ኣብ ጐድኒ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኰይና ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ትዋጋእ ምህላዋ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ። እቲ ካብ ኤርትራ ዝተረኽበ ምንጪ፡ ካድራት እቲ ስርዓት፡ ኣብ ኣኼባታት “እዚ ናይ ህላወ ጉዳይ እዩ፣ ወያነ ክትቅበር’ዩ ዘለዋ፡” እናበሉ ንህዝቢ ከለዓዕሉ ይፍትኑ ከምዘለውን፡ “ሎሚ ዘይከተተ ወይ ውላዱ ዘየኽተተ ዝሓብአ ወይ ክሕባእ ዝተሓባበረ. . .ከቢድ ሃገራዊ ክሕደት፡” ከም ዝፈጸመ’ዩ ዝሕሰብ እናበሉ የፈራርሕዎ ከምዘለው እዩ ዘረድእ። “ህዝቢ ኵሉ ነገር መሪርዎ፡ ብዝተፈላለየ መገዲ እምቢታኡ ይገልጽ ኣሎ። እቲ ህዝቢ ነቲ ውግእ ኣይድግፎን እዩ፡ ኣይደልዮን እውን። እንተዀነ እዚኣቶም ጨካናት ስለዝዀኑ ካብ ኣባይቲን ትካላትን ምዕሻግ ሓሊፎም፡ ኣብ ግዜ ገዛእቲ ተራእዩ ዘይፈልጥ ካልእ ግፍዕታት’ውን ክገብሩ ይኽእሉ እዮም፡” ክብል እቲ ምንጪ ስግኣቱ ይገልጽ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c9r4g00rnxko"} {"headline":"ቻይና ኣብ ጥቓ ታይዋን ሓድሽ ወተሃደራዊ ልምምድ ኣካይዳ","content":"ሰራዊት ቻይና ሓድሽ መጠነ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ልምምድ ከም ዝቐፀለ ኣፍሊጡ። ቻይና ቅድም ክብል ብቐጥታ ተካይዶ ዝነበረት ወተሃደራዊ ልምምድ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት ከም ዝዛመት ድሕሪ ምፍላጣ እዩ፡ እዚ ሓድሽ  ወተሃደራዊ ልምምድ ጀሚራ ዘላ። ሰራዊት ቻይና እዚ ምብራቕ፡ ልምምድ ፀረ-ሳብማሪንን ናይ ባሕሪ ወራራትን ከም ዘካይድ ኣፍሊጡ። ንዝሓለፉ ኣርባዕተ መዓልታት ዝተኻየዱ ወተሃደራዊ ልምምዳት፡ ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ኣመሪካ ናንሲ ፔሎሲ ንመጠንቀቕታ ቻይና ብምንዓቕ ናብ ታይዋን ንዘካየደቶ ምብፃሕ ዝተዋህበ ግብረ መልሲ እዩ ነይሩ። ታይዋን፡ ቻይና ተካይዶ ዘላ ልምምድ ኣብ ልዕሊ እታ ደሴት ወራር ንምፍፃም ዝዓለመ’ዩ ክትብል ከሲሳ። እንተዀነ፡ ቻይና ክሳብ ሕዚ ተካይዶም ዘላ ልምምዳት ሓይሊ ኣየርን ባሕርን ናብ ማያዊ ግዝኣታ ከም ዘይኣተው ታይዋን ኣፍሊጣ እያ። ኣሜሪካ፣ ኣውስትራልያን ጃፓንን፡ ቻይና ተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ልምምድ፡ \"ኩነታት እቲ ኣብ መንጎ መሬትን እታ ደሴትን ዝርከብ 180 ኪሎ ሜትር ዝሽፍን ወሽመጥ ታይዋን ንምቕያር ዝዓለመ እዩ” ክብላ ኰኒነን። ነፈርትን መራኽብን ቻይና ኣብቲ ልምምድ ብተደጋጋሚ በቲ ወሽመጥ ኣቋሪፀን ሓሊፈን እየን። ሚኒስትር ምክልኻል ታይዋን፡ እቲ ወሽመጥ ካብ 1950ታት ኣትሒዙ ዝነበረ ከም ዝዀነ ገሊፁ። ዋሽንግተን፡ ቻይና ምስ ምብፃሕ ፔሎሲ ብዝዛመድ ንኩነታት ክሊማዊ ለውጢ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ምስ ኣሜሪካ ዝነበራ ምትሕብባር ክቋረጽ ምግባራ ኰኒና። ታይዋን ርእሰ ምምሕዳራዊ ዘለዋ ደሴት ኰይና፡ ቻይና ካብ ምሕደርኣ ዝተነጸለት ግዝኣታ ትቘፅራ።ኣድላይ እንተዀይኑ ድማ ንታይዋን ብሓይሊ መሊሳ ኣካል ግዝኣታ ንምግባር ከም ዘይተምንትእ ክትገልፅ ፀኒሓ። መራሕቲ ዓለም ንታይዋን ኣፍልጦ ከም ዝህቡ ዘርእዩ ምልክታት ወትሩንቻይና የቘጥዑ'ዮም። እዚ ኣብ ጥቓ ታይዋን ይካየድ ዘሎ ሓድሽ ወተሃደራዊ ልምምድ፡ ሰብመዚ ባሕሪ ቻይና ኣብ ካልኦት  ቦታታት ልምምዳት ከም ዝካየዱ ምፍላጦም ስዒቡ እዩ። ኣብ መንጎ ሓውሲ ደሴት ቻይናን ኮርያን ኣብ ዝርከብ ቢጫ ባሕሪ ከኣ፡ ካብ ዝቕፅል ቀዳም ጀሚሩ ክሳብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ሓድሽ ወተሃደራዊ ልምምድ ከም ዝቕፅል ተገሊፁ። ብተወሳኺ፡ ካብ ቢጫ ባሕሪ ኣብ ሰሜናዊ ኣንፈት ዝርከብ ባሕሪ ቦሃይ እውን ንሓደ ወርሒ ዝቕፅል ወተሃደራዊ ልምምድ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ተጀሚሩ ኣሎ። እዚ ቀጥታዊ ልምምድ ተኹሲ ዝሓወሰ’ዩ። ካብ ቢጫ ባሕሪ ኣብ ሰሜናዊ ኣንፈት ዝርከብ ባሕሪ ቦሃይ’ውን ንሓደ ወርሒ ዝቕፅል ወተሃደራዊ ልምምድ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ተጀሚሩ ኣሎ። ቻይና፡ ኣብ ደቡባዊ ቻይና ኣብ ዝርከብ ባሕሪ ቀጥታዊ ተኹሲ ልምምድ ከም ዝጀመረት ብሰኑይ ኣፍሊጣ’ያ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cnemdgjydwlo"} {"headline":"ፕረዚደንት ሶማልያ ምስቶም ኣብ ኤርትራ ዝስልጥኑ ዘለዉ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ሃገሩ ተራኺቡ","content":"ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ፕረዚደንት ሶማልያ፡ ምስቶም ኣብ ኮለጅ ኣቪየሽን ኤርትራ ዝስልጥኑ ዘለዉ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ሃገሩ ተራኺቡ። ፕረዚደንት ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ፡ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ወግዓዊ ምብጻሕ ንምክያድ'ዩ ትማሊ ናብታ ሃገር ኣትዩ። ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ብምርኻብ ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ዝምድናን ዞባዊ \"ተርእዮታትን\" ከምዝዘተዩ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ። እቲ ሓድሽ መራሒ ሶማልያ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ'ዩ ንካልኣይ ግዜ ናብታ ሃገር ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ። እቲ ዝመርሖ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣብሽር ዑመር ጃማ ዝጠቓለለ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ፡ ኣብ መመረቕታ ናይቶም ኣብ ኤርትራ ዝዕለሙ ዝነበሩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራቱ ተሳቲፉ ምንባሩ ይዝከር። ሃለዋት ናይቶም ወተሃደራት ኣብ ኤርትራ ከዘራርብ ምጽንሑ ይዝከር። ብወገን ክልቲኦም መንግስታት ግሉጽነት ብዘይምንባሩ፡ ገለ ስድራቤታቶም ከይተረፈ ሻቕሎታት ይገልጹ ምንባሮም ጸብጻባት ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም። ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ሶማልያ'ውን ኣብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ክስልጥኑ ምጽንሖም ይፍለጥ። ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ንኣስታት ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ኲናትን ኩነተ-ኲናትን ንምብቃዕ ኣብ 2018 ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍራመን፡ ሶማልያን ኤርትራን ወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምምስራተን ይዝከር። ኣብ 1991 ኤርትራ ሓርነታ ዝተጓናጸፈትሉ እዋን ይኹን፡ ብወግዒ ኣብ 1993 ናጽነታት ኣብ ዝኣወጀትሉ፡ ሶማልያ ኣብ ከቢድ ኲናት ሓድሕድ ዝተሸመመትሉ'ዩ ነይሩ። ኣብ 2020 ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ንጸጥታዊ ጉዳያት ዘጠቓለለ ምትሕብባር ክገብራ ተሰማሚዐን ነይረን'የን። መራሒ ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ከምኡ'ውን ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ሶማልያ ዝነበረ መሓመድ ዓብዱላሂ 'ፋርማጆን ኣብ ኣስመራ ኣዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ \"ኣንጻር ናይ ሓባር ስግኣታት\" ክሰርሑ ምዃኖም ኣዊጆም ነይሮም። ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ናብታ ሃገር ዝገበሮ ፈላሚ መገሻ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምርኻብ፡ ጸጥታውን ወተሃደራውን ምትሕብባር ክገብሩ ምርድዳእ ፈሪሞም ነይሮም። ፕረዚደንት ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም'ውን ናብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ብምግባር ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ተራኺቡ ነይሩ። ኣብ ወርሒ ግንቦት ስልጣን ዝተረከበ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ 5,000 ወተሃደራት ሶማልያ ብቕልጡፍ ናብ ሃገሮም ከምዝምለሱ ክገብር ምዃኑ ቃል ኣትዩ ነይሩ። ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ዘካየዶ ምብጻሕ ናብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ብምኻድ ምስቶም ዝስልጥኑ ዝነበሩ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ሃገሩ ተራኺቡ ነይሩ። ዋላ'ኳ ወተሃደራት ሶማልያ ኣብቲ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ትግራይ ከምዝተሳተፉ ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጹ እንተጸንሑ፡ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ሶማልያን ግን ነቲ ክስታት ክነጽግዎ'ዮም ጸኒሖም። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ መንግስቲ ሶማልያ ንዕጡቕ እስላማዊ ጉጅለ ኣል-ሻባብ ንምድምሳስ ብወተሃደራት ኣመሪካ ዝድገፍ ቀጻሊ ስርሒታት ከካይድ ምጽንሑ ይፍለጥ። ሰብመዚ ሶማልያ፡ እቶም ዕጡቓት‘ኣልሸባብ’ (መንእሰይ) ብዝብል ስም ከይጽውዑ ብምእጋድ፡ ኣብ ክንድኡ ህዝቢ ይኹን ማዕከናት ዜና “ኻዋሪጅ” ዘነኣእስ ቃል ክጥቀሙ ጸዊዑ'ሎ። ዕጡቓት ጂሃዳዊ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ብወገኖም፡ ከካይድዎ ዝጸንሑ ናይ ቦምባ መጥቃዕትታት ኣሐይለሞ ኣለዉ። ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሞቓድሾ ኣብ ዘካይድዎ መጥቃዕቲ ጥራይ ብውሕዱ 120 ሰባት ቀቲሎም።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c03n32qvd5po"} {"headline":"ኣብ ኤርትራ ክስልጥን ዝጸንሐ ፈላሚ ጕጅለ ሰራዊት ሶማልያ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ","content":"ኣብ ኤርትራ ብዝተፈላለየ ወተሃደራዊ ዓውዲ ክስልጥኑ ካብ ዝጸንሑ ኣስታት 5ሽሕ ሰራዊት ሶማልያ፡ ነቲ ቀዳማይ ጕጅለ ሰራዊት ዝጸዓነት ነፋሪት ትማሊ ኣብ ሞቓዲሾ ከም ዝዓለበት መንግስቲ እታ ሃገር ገሊጹ። ይዅን እምበር ሚኒስተር ምክልኻል ሶማልያ ዓብደልቃድር መሓመድ ኑር ክንደይ ዝኣኽሉ ሰራዊት ከምዝኣተው ዝርዝር ሓበሬታ ክህብ ከምዘይደሊ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። \"እቲ ቍጽሪ ክነግረኩም ኣይደልን እየ። እንተዀነ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ክስልጥን ዝጸንሐ ሰራዊት ሶማልያ፡ ህዝቢ ሶማልያን መንግስቲ ፌደራልን ከምኡ እውን ክልተ ግዜ ናብ ኤርትራ ዝኸደ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ብዝገበርዎ ጻዕሪ፡ ስልጠናኦም ዝዛዘሙ ቀዳማይ ክፋል ኣትዮም ኣለዉ\" ኢሉ። እቶም ሓይልታት ኣብ ገለ ከባቢታት እታ ሃገር ኣንጻር ኣልሸባብ ኣብ ዝካየድ ስርሒታት ክሳተፉ ምዃኖም እውን እቲ ሚኒስተር ምክልኻል ገሊጹ። \"ኣምላኽ እንተፈቒዱ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ባልዓት ንምጥፋእ ኣብ ዝግበር ስርሒታት ክሳተፉ ተስፋ እገብር\" ኢሉ። ብተወሳኺ፡ ዓብዱልቃድር እቶም ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠኑ ሰራዊት ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ኵሎም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ምዃኖም ኣተንቢሁ። \"እቲ ቀዳማይ ክፋል ኣብ ሃገር በጺሑ'ሎ፡ ዝተረፈ ድማ ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ክኣት'ዩ፡ ኣብ ዝተመደበሎም ስራሕ ድማ ክሳተፉ'ዮም\" ክብል ወሲኹ ገሊጹ። “እዞም ሓይልታት ኣበይ እዮም ክሰርሑ?” ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ እቲ ሚኒስተር ኣብ መላእ ሃገር ክሰርሑ ምዃኖም ሓቢሩ። \"ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝተመደቡሉ ቦታ ክሰርሑ እዮም፣ ሰራዊት ሶማልያ ድማ ኣብ መላእ ሃገር ክሰርሕ'ዩ\" ክብል ተዛሪቡ። ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣስታት 5000 ዝዀኑ ሰራዊት ሶማልያ ብሓይሊ ባሕሪ፡ ሓይሊ ኣየር ከምኡ’ውን እግረኛ ከሰልጥኖም ከምዝጸንሐ ይፍለጥ። ሃለዋት እዞም ወተሃደራት ሶማልያ ኣብታ ሃገር ኣዘራራቢ ኰይኑ ምጽንሑ ይግለጽ። ምኽትል ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ሶማልያ ነበር ዓብዱሰላም ጉለድ ብወገኑ፡ ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ስልጠና ዝወሰዱ ስልጠናኦም ዝወድኡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሶማላውያን ወተሃደራት ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኲናት ከም ዝተሳተፉን ብዙሓት ከም ዝሞቱን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ ሓቢሩ ነይሩ። ይዅን’ምበር፡ ኣብቲ እዋን ሚኒስተር ሓበሬታ ሶማልያ ዝነበረ ዑስማን ኣቡበከር ዱቤ ነቲ ጸብጻባት ብምንጻግ፡ ወተሃደራት ሃገሩ ኣብቲ ኲናት ኣይተሳተፉን ምባሉ ይዝከር። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ’ውን፡ ነቲ ሰራዊት ሶማልያ ኣብ ኵናት ትግራይ ተሳቲፎም ዝብል ሓበሬታ ነጺግዎ’ዩ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c8v1de7ez55o"} {"headline":"ሩስያ፡ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ዜጋታታ ብፍቓዶም ናብ ሰራዊት ክጽምበሩ ጐስጓስ ጀሚራ","content":"እታ ካብ ከተማ ቅዱስ ፒተርስበርግ ኣብ ቀረባ ርሕቀት እትርከብ ከተማ ቮሎሶቮ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብመጕልሒ ድምጺ ተናዊጻ ኣላ። እተን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መንገዲ ዝተተኽላ መጕልሕ ድምጺ ወትሩ ‘[ንሃገርካ] ተለዓል!’ ዝብል ሃገራዊ ስምዒት ዘለዓዕል መዝሙር እየን ዘቃልሓ ነይረን። ሕጂ ግን ብቐጥታ ወተሃደራት ናብ ምምልማል ብምድሃብ፡ ‘ክልተ በጦሎኒታት ወለንታውያን ዘመትቲ  ንሃንጽ ኣለና። ዕድመኹም ካብ 18 ክሳብ 60 ዓመት ዝዀንኩም ሰብኡት ተመዝገቡ’ ዝብል ተደጋጋሚ ጻውዒት የቕርባ ኣለዋ። ምሉእ መዓልቲ ከኣ ነቲ መልእኽቲ ክደጋግማኦ ይውዕላ። እቲ መልእኽቲ ብመጕልሒ ድምጺ ጐደና ጥራሕ ዘይኰነ ብመድረኻት ማሕበራዊ ምትእስሳር፡ ብተሌቪዥን፡ ብቢልቦርድን ከይተረፈ በጃኹም ክተቱ እናተባህለ ጻውዒት ይመሓለለፍ ኣሎ። እቲ ኣገልግሎት ንሓጺር ግዜ ምዃኑ ከኣ እዩ ዝንገር ዘሎ። ሩስያ፡ ኣብ ዩክረይን ኣብ ሓጺር ግዜ ብውግእ ክዕወት እየ ኢላ ዘውጽኣቶ መደብ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናረሓቓ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ዝበዝሐ ግንባራት ካብ እተመዝግቦ ዓወታት እትኸፍሎም ወተሃደራት ይበዝሑ ከምዘለው እዩ ዝዝረብ። ሓደ ኣብ ከተማ በቮሎሶቮ ዝነብር ሽማግለ፡ ብዛዕባ እቲ ወለንታዊ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዘለዎ ርእይቶ ምስተሓተተ፡ “ኣበይ እሞ መንእሰይ እንተዝነብር ምኸተትኩ ነይረ” ክብል ንጋዜጠኛ ቢቢሲ ዊል ቨተርኖትን ሓቢሩ። ይዅን እምበር እቲ ጋዜጠኛ ዘዘራረቦም ካልኦት ሰባት ግን ተመሳሳሊ ስምዒት የብሎምን። “ብዛዕባ ኲናት ምዝራብ ንባዕሉ የቐንዙ እዩ። ኣሕዋት ንሓድሕዶም ክጣፍኡ ልክዕ ኣይኰነን” ኢላ ሓንቲ ሰበይቲ። ካብ ኣባላት ስድራቤታ ሓደ ሰብ ክኸትት እየ እንተዝብል እንታይ ክስመዓ ከምዝኽእል ምስ ተሓተተት ከኣ፡ “ሬሳኡ እዩ ዝመጽእ” ብምባል ምላሽ ሂባ። ብርግጽ ከኣ ሬሳ ብዙሓት ወተሃደራት ይመጽእ ኣሎ። ሩስያ፡ ብዛዕባ ዝሞቱዋ ወተሃደራት ኣይትዛረብን እያ። ይዅን እምበር እተን ምዕራባውያን ሃገራት ብዘውጽእኦ ዘለዋ ኣሃዝ፡ ካብ 70 ክሳብ 80 ሽሕ ወተሃደራት ሩስያ ተቐቲሎም ወይ ተጐዲኦም ኣለው። እዚ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ እዩ ዝኸውን ዘሎ። ሰበስልጣን ሩስያ ነቶም ሓደስቲ ተዓለምቲ ንምምልማል ጕንዖ ገንዘብ ከምዝወሃቦም ይሰብኩ። “ኣቱም መንእሰያት ንዑ በጃኹም ርቡሕ ገንዘብ ሩብል ውሰዱ” እናበሉ ነቶም መንእሰያት ይጕስጕስዎም። ኣብ ወርሒ ካብ 5-7 ሽሕ ዶላር ዝወሃቦም ሓደስቲ ተዓለምቲ ኣለው።  መሬት’ውን ክወሃበኩም እዩ። ንደቅኹም እውን ኣብ ጽቡቕ ቤት ትምህርቲ ከነምህሮም ኢና ይብሉዎም። እታ ሰበይቲ ግን እቲ ጉዳይ ከምኡ ከምዘይኰነ እያ ትዛረብ። “እቶም ሰባት እቲ ገንዘብ ብዙሕ ምዃኑ ኣይኮነን ዝርእዩ። እቶም ካብ ዩክረይን ዝተመልሱ ሰባት ብመንግስቲ ሩስያ ማዕረ ክንደይ ከምዝተታለሉ እዮም ዝዛረቡ። መንግስቲ ድሕሪ ደጊም ብገንዘብ ሓባቢሉ መንእሰያት ክኸትብ ዝኽእል ኣይመስለንን።” ሓደ ሓደ ሰባት በቲ ‘ክትክፈልዎ ኢኹም ዝተባህለ ገንዘብ’ ዕጕባት እዮም። ናብ ኲናት ክኸቱ ዓይኖም ዝሓስዩ ኣይመስሉን። ኒና ቹባሪና ኣደ ንቭጌኒ እያ። ክልቲኦም ካሬሊያ ኣብ እትበሃል ዓዲ እዮም ዝነብሩ ነይሮም። ውላዳ ናብ ኲናት እንተዘይከተትኩ ኢሉ ኣዕገርጊሩ። ወላዲቱ ኣምሪራ ለሚናቶ- ግን ኣይሰምዐን። ምንም ወተሃደራዊ ክእለት ዘይብሉ ክነሱ፡ ክኸይድ እየ ኢሉ ወሲኑ፡ ከቲቱ፣ ጠበንጃ ተዋሂብዎ ናብ ዩክረይን ከይዱ። ኣይደንጐየን ኣብ መዓልታት ሞይቱ። “ወደይ ኣብ 24 ዓመቱ ተቘጽዩ” ከኣ ትብል ኒና ቹባሪና። ኒና ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝርከብ ሓደ መናፈሻ ንክንራኸብ ፈቓደኛ ኰይና። ኣብ ትርፊ ግዜኣ ኣብ ሓደ መሰንከት ሕብስቲ እያ ትሰርሕ። እቲ ዕረፍቲ ዘይህብ ምስንካት ሕብስቲ ሓዘና ንክትርስዕ ከምዝሓገዛ ነጊራትኒ። ውላዳ ናብ ግንባር ንኸይከትት ማዕረ ክንደይ ከም ከምዝለመነቶ ኣረዲኣትኒ። “'በጃኻ ስምዓኒ ዝወደይ' እናበልኩ እየ ኣፋንየዮ። 'ክትመውት ኢኻ' ኢለዮ። 'ማማ ስቕ ኢልኪ ኣይትጨነቒ ዋላ ሓንቲ ኣይከውንን እየ' ኢሉኒ ከይዱ” ኢላ። ኒና መንግስቲ ሩሲያ ነቶም መንእሰያት ዝሓባብለሉ ዘሎ መገዲ ቅኑዕ ዘይምዃኑ እያ ትዛረብ። “እዞም መንእሰያት ብዘይ ብቝዕ ስልጠና ናብ ግንባር ተወሲዶም መዝሓሊ ጥይት ይዀኑ ኣለው።” ኣብ ከተማታት ሩስያ ምዝዋር፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ኲናት ዘለዎ መረዳእታን ኣመለኻኽታን ንኽትርዳእ ይሕግዝ። ብዙሕ ሰብ ኣብ ጐድኒ ፑቲን ቈይሙ ነዚ ኲናት እዚ ይድግደፎ’ዩ ክትብል ከቢድ’ዩ። እተን ንዂናት ዝድግፋ ብእንግሊዝኛ ናይ ዜድ [Z] ፊደል ምልክት ዝተጻሕፈን ተሽከርከርቲ ኣብ ጐደናታት ሩስያ ብዙሕ ኣይረኣያን ዘለዋ። ተንታኒ ወተሃደራዊ ጉዳያት ፓቬል ሉቪን፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ንዝናን ክብርን ፑቲን ክብሉ ዝሞቱ ወተሃደራት ሩስያ ዝህልው ኣይመስለንን ይብል። “ድሕሪ ደጊም ፑቲን፡ ዓባይ ስርወ መንግስቲ ሩስያ ንኽመልስ ኣብ ዝሓለሞ ውጥን  ዝመውት ብዙሕ ሰብ ኣይክህሉን እዩ። እዚ ከኣ ብዛዕባ ኲናት ብዝምልከት፡ ሓባራዊ መረዳእታን ስምምዕን ህዝቢ ሩስያ ስለዘሎ እዩ።”","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ckr05dj4g18o"} {"headline":"ሓደ ኣመሪካዊ ባሕረኛ ድሕሪ 80 ዓመታት ተቐቢሩ","content":"ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ መዓስከር ፐርል ሃርበር ዝተቐትለ ሓደ ኣመሪካዊ ባሕረኛ፡ ድሕሪ 80 ዓመታት ተቐቢሩ። ሀርበርት ጃኮብሰን፡ ብዘመናዊ መርመራ ፎረንሲክ ሬሳኡ ንምፍላጥ ምስ ተኽኣለ እዩ፡ ኣብ ሃገራዊ መካነ መቓብር ኣርሊንግተን ተቐቢሩ። ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ባሕረኛ እንታይ ከም ዘጋጠሞ ምፍላጥ፡ ነታ ስድራቤት ‘ሩፍታ’ ከም ዝፈጠረላ፡ ሓደ ወዲ ሓውቦኡ ንማዕከን ዜና ኤፒ ሓቢሩ። ንሱ ካብቶም ብጃፓን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ወይ ዝቖሰሉ ኣሽሓት ሰባት ሓደ'ዩ ነይሩ። ጃፓን ብ 7 ታሕሳስ 1941 ኣብቲ ኣብ ሃዋይ ዝርከብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ደሕሪ ዘካየደቶ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ እዩ ኣመሪካ ናብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ክትሳተፍ ተገዲዳ። ወዲ 21 ዓመት \"በርት”  ጃኮብሰን፡ ኣብ መርከብ ዩኤስኤስ ኦክላሆማ ህይወቶም ካብ ዝሰኣኑ 400 ባሕረኛታት ሓደ ዀይኑ፡ እታ ዓባይ መርከብ ሓንቲ ካብተን ብመጥቃዕቲ ጃፓን ዝጠሓላ ኣርባዕተ መራኽብ ውግእ'ያ። ሬሳኦም ካብ ዝርከብ ክልተ ዓመት እኳ እንተገበረ፡ ብዙሓት መንነቶም ክፍለጥ ኣይከኣለን። ንኹሎም ግዳያት ንምልላይ ተደጋጋሚ ፈተነታት ተኻይዱ'ኳ እንተነበረ፡ ክሳብ እቲ ዳሕረዋይ መርመራ ዲኤንኤ ዝግበር ግን ዕውት ኣይነበረን። ሬሳ ጃኮብሰን'ውን ኣብ 2019 እዩ ተለልዩ። ብሰሉስ ከኣ ኣብ ቨርጂንያ ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ መካነ መቓብር ኣርሊንግተን ተቐቢሩ። ንዕኡ ብኣካል ዘይፈልጥዎ ኣባላት ስድራ’ውን፡ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ተረኺቦም ነይሮም። \"እዚ ዘይተፈትሐ ምስጢር ኮይኑ ጸኒሑ'ዩ፡ በርት እንታይ ከም ዘጋጠሞን፡ ኣበይ ከምዝነበረን ንነዊሕ እዋን ተሓቢኡ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ መወዳእታ ይቕበር ከምዘሎ ምፍላጥና ናይ መንፈስ ዕረፍቲ ይህበና\" ክብል ወዲ ሓውቦኡ ብራድ ማክዶናልድ ንኤፒ ተዛሪቡ። ግዳያት ፐርል ሃርበር ንምልላይ ዝተገበረ ፈተነታት ድሕሪ ምፍሻሉ - ኣብ 2003 እዩ ሓድሽ ወፍሪ ተጀሚሩ። ኣብ 2015 ከኣ ብመንገዲ ዲኤንኤ ሓዊሱ ዝያዳ ምዕቡል ሜላታት መለለዪ ምጥቃም ተጀሚሩ። እቶም ፈተነታት ንስድራቤት ጃኮብሰን ሓድሽ ተስፋ ሂቦም እዮም። ኣደ በርት ካልእ ይትረፍ ወዳ ኣበይ ከምዘሎ ፈጺማ ስለ ዘይትፈልጥ ዓመት ዓመት 7 ታሕሳስ ትበኪ ከምዝነበረት ጸብጻብ ኤፒ ይጠቅስ። ኣብ ፐርል ሃርበር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ክሳብ እቲ ብ11 መስከረም 2001 ኣብ ኒውዮርክ ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ምድሪ ኣሜሪካ እቲ ዝኸፍአ መጥቃዕቲ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ኣብ 1941 ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰዓታት፡ ልዕሊ 2,400 ኣመሪካውያን ተቐቲሎም። ንጽባሒቱ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ፍራንክሊን ሩዝቨልት፡ ኣብ ልዕሊ ጃፓን ኲናት ምስ ኣዊጀ፡ ኣመሪካ ናብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ተጸምቢራ። ኣብ ሃዋይ ዝርከብ ፐርል ሃርበር፡ ክሳብ ሕጂ ንጡፍ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ፡ ቤተ መዘክርን ሃገራዊ ሓወልቲ ናይ'ቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝሃለቑን ይርከቦ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c891y98d035o"} {"headline":"ሃገር ካብ ከቢድ ሓደጋ ስለዘድሓነ’ዩ ማዕርግ ፊልድ ማርሻል ተዋሂብዎ - ጀነራል ባጫ ደበሌ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ንፈለማ ግዘ ንኤታማዦር ሹም ሰራዊት እታ ሃገር ዝተውሃበ ማዕርግ ‘ፊልድ ማርሻል’፡ ሃገር ካብ ከቢድ ሓደጋ ንዘድሓነ ሰብ ምብርካቱ ግቡእ’ዩ ክብል፡ ጀነራል ባጫ ደበሌ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ቅድሚ ሕደት መዓልታት ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገርን ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣብይ ኣሕመድን ፕረዝደንት ሳህለ ወርቅን ኣብ ዝተረኸብሉ፡ ንጀነራል ብርሃኑ ጁላ መዓርግ ፊልድ ማርሻል ከምዝተውሃበ ይዝከር። ኣብቲ ዕለት ዝተውሃበ ማዕርግ ፊልድ ማርሻል ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ፈላማይ ዝለዓለ ወተሃደራዊ ሽመት እዩ። ኣብቲ ዕለት ካብ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ብተወሳኺ፡ ንካልኦት 100 ኣባላት ሰራዊት እታ ሃገር ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ መዓርግ ተዋሂቡ’ዩ። መራኸቢ ሓፋሽ እታ ሃገር ንሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብምፅራሕ፡ ኣብቲ ዕለት ዝተውሃበ ማዕርግ ፊልድ ማርሻል፡ “ብኣመራርሓ እቲ ጀነራል ንሓይልታት ትግራይ ምምካት ስለዝተኽኣለን፡ ሃገር ካብ ውድቀት ስለዘድሓነን’ዩ” ክብል ፀብፂቡ ኔሩ። እንተኾነ፡ እቲ ጀነራል ዝመርሖ ኵናት፡ ኵናት ሕድሕድ ከምዝኾነ ብምግላፅ፡ ነቲ ዝተውሃበ ማዕርግ ፊልድ ማርሻል ዝቃወሙ ብዙሓት’ዮም። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ሽልማት ካብ ሌተናል ጀነራል ናብ ማዕርግ ጀነራል ልዕል ዝበለ ባጫ ደበሌ ግና፡ ነቲ ኤታማዦር ሹም ዝተውሃበ ማዕርግ ፊልድ ማርሻል ትኽክልን ሕጋውን’ዩ ይብል። ጀነራል ባጫ፡ ሃገራት ማዕርግ ፊልድ ማርሻል ብምሃብ ዝተፈላለየ ልምዲ ከምዘለወንን፡ እቲ ማዕርግ ንነዊሕ እዋን ንዘገልገለ ዝሃባ ከምዘለዋ ኹሉ፡ ንምኽባር ሕጊ ውዕሎ ግምባር መሰረት ብምግባር፡ ማዕርግ ፊልድ ማርሻል ዝህባ ከምዘለዋ ይገልፅ። “ንኣብነት ሩስያ፡ ድሕሪ ምፍራስ ሕብረት ሶቪየት እቲ ሰራዊት ዳግማይ ንክጣየሽ፣ ዕጥቂ ኒኩሌር እታ ሃገር ንከይብተንን ሩስያ ዓባይ ኮይና ንኽትቅፅልን ንዘኽኣለ መኮነን፡ ንመወዳእታ ግዘ ማዕርግ ፊልድ ማርሻል ሂባ” ኢሉ። ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ኵናት ዝተሳተፈ ኣሜሪካዊ ጆርጅ ዋሽንግተን ኣብ ሃገሩ ማዕርግ ፊልድ ማርሻል ከምዝተበርከተሉ ጀነራል ባጫ የረድእ። \"ጆርጅ ዋሽንግተን ኣብ ኵናት ሓድሕድ ኣሜሪካ ብዝፈፀሞ ጅግንነት፡ ማዕርግ ፊልድ ማርሻል ተዋሂብዎ’ዩ። ኣብ ዝኾነት ሃገር ኣብ እዋን ኵናት ብቕዓት ንዘርኣየ እዚ ማዕርግ ይወሃብ’ዩ” ይብል። ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ “ናይ ውሽጢ ሃገርን ናይ ደገን ሓይልታት ነታ ሃገር ንምፍራስ ኣብ ዝተልዓልሉ እዋን” ንዘጓነፋ ከቢድ ሓደጋ ምእላይ ንዝኸኣሉ እዚ መዓርግ ምውሃቡ ቅኑዕ ውሳነ’ዩ ኢሉ። “ኣብ ኢትዮጵያ ዝሰልጠነ ሓይሊ መሊሱ ክወግኣ’ዩ ተባሂሉ ኣይተገመተን። እዚ ሓድሽ ክስተት’ዩ። ምሉእ ዕጥቂ ሰራዊት ተመንጢሉ፣ ኢትዮጵያ ሰራዊት የብላን ምስተብሃለ፡ ተቓሊሱ ነታ ሃገርን ሰራዊታን ካብ ምብታን ንዘድሓነ. . . ማዕርግ ፊልድ ማርሻል ምሃብ ይንእሶ ይኸውን’ምበር ኣይበዝሕን” ብምባል፡ ጀነራል ባጫ ንቅኑዕነት እቲ ውሳነ የረድእ። ማዕርግ ፊልድ ማርሻል ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ይወሃብ ዝብል ምርኣይ ኣድላይ እዩ ዝብል ጀነራል ባጫ፡ “እቲ ጉዳይ ኵናት ሓድሕድ ወይ ዓለምለኻዊ ኵናት ስለዝኾነ ኣይኮነን። መራሒ እቲ ሰራዊት ብዘበርከቶ ግደ’ምበር” ይብል። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘብፀሖ ልዑል ጉድኣት፣ እቲ ኵናት ምትራፍን ዘብፅሖ ጉድኣት ምንካይን ኣብ ዘይተኽኣለሉ ኩነታት፡ ንመራሒ እቲ ሰራዊት ማዕርግ ፊልድ ማርሻል ምብርካቱ ግቡእ ኣይኮነን ንዝብል ተቓውሞ፡ ጀነራል ባጫ ኣይቕበሎን። “እቲ ሰራዊት ልእኽትኡ እንተዘይፍፅም ኔሩ፡ ሕዚ ወያነ ኣብ ኣዲስኣበባ ኔሩ። ነዚ ዝብሉ ብሓቂ ኢትዮጵያውያን ኣይመስሉንን። ምኽንያቱ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝሓስብ ከምዚ ኣይብልን። እቲ ሰራዊት ተዓዊቱ’ዩ። ነዚ ድማ ኣፍና መሊእና ደረትና ነፊሕና ኢና ንዛረብ” ይብል። እንተኾነ፡ ካብ ርእሰከተማ ኣዲስኣበባ ኣብ ቀረባ ርሕቐት በፂሖም ዝነበሩ ሓይልታት ትግራይ ንሰላም ዕድል ንምሃብ ብፖለቲካዊ ውሳነ ከምዘንሰሓቡ’ዮም ዝገልፁ። ንትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ናብ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ካብ ኩሉ ከባብታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝሰሓቡን እቲ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንኽረክብ ዝዓለመ ምዃኑን ኣፍሊጡ’ዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ሒዝዎም ዘሎ ከባብታት ሒዙ ከምዝፀንሕን ናብ ትግራይ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከምዘየካይድን ኣፍሊጡ ኔሩ። ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝን ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይስን፡ እዚ ምዕባለታት ንሰላም በሪ ዝኸፍት ምዃኑ ገሊፆም ኔሮም። እንተኾነ፡ ኣብዚ እዋን እቲ ኲናት ዝርከበሉ ኩነታት ዘመልክት ጭቡጥ ሓበሬታ'ኳ እንተዘይተረኽበ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ውግእ ከምዘሎን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራን መፅለሊ ስደተኛታትን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ናይ ኣየርን ድሮንን መጥቃዕትታት ቀፂሎም ከምዘለዉን ይግለፅ። ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ዝነበረ ስነ-ስርዓት ዝለኣለ ወተሃደራዊ ማዕርግ ካብ ሞንጎ ዝረኸቡ ሓደ ዝኾነ ባጫ ደበሌ፡ እቲ ዝረኸቦ ዕብየት ማዕርግ ዝፈጠረሉ ስምዒት ንቢቢሲ ገሊፁ ኔሩ። “ሰራዊት ብኣወዳድባ እንክሰፍሕ፡ ከምዚ ዓይነት መዓርግ’ዩ ዝወሃብ። ብኣንፃር ስፍሓት እቲ ሰራዊት ብዙሕ ስራሕ ኔሩ። እዚ ስራሕ ብብቕዓትን ጅግንነትን ብምፍፃሙ ድማ፡ በብብርኩ ንዘለዉ ኣባላት ሰራዊት ዕብየት ማዕርግ ተዋሂቡ። ኣነ’ውን ካብ ሞንጎ እዞም ሰባት ሓደ ብምዃነይ ተሓጕሰ’የ” ኢሉ። እቲ ዕብየት መዓርግ “ሓጎስ ዝፈጥርን ዝበለፀ ስራሕ ንምስራሕ ሓይሊ ዝኾን’ዩ። ንሃገርና ንእንኸፍሎ መስዋእቲ ልዑል ግደ ስለዘለዎ ሓጎስና ወሰን የብሉን” ይብል ጀነራል ባጫ። ካብ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ብተወሳኺ፡ ብቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዝደንት ሳህለ ወርቅ ዘውዴ ናይ ዝተውሃበ ብዝሒ ዝለዓለ ሹመት 100 እንትኾን፡ 4 ማዕርግ ጀነራል፣ 14 ማዕርግ ሌተናል ጀነራል፣ 24 ማዕርግ ሜጀር ጀነራልን 58 ማዕርግ ብርጋዲየር ጀነራልን ንኣባላት ሰራዊት እታ ሃገር ተዋሂቦም’ዮም። እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቕፅልን ዘሎ ኲናት፡ ሂወት ኣሽሓት ሰባት በሊዑ፣ ጠንቂ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ፣ ሚልየናት ካብ መረበቶም ኣመዛቢሉን ተፀበይቲ ህፁፅ ሰብኣዊ ረዲኤት ገይሩን ኣሎ። ኣብታ ኣብ ሙሉእ ዕፅዋ ትርከብ ትግራይ 6.3 ሚልየን ህዝቢ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ዝተገለፀ እንትኾን፡ ሕቡራት ሃገራት ድማ 'ዕላዊ ዘይኮነ ዕፅዋ ብመንግስቲ ተኣዊጁ' ከምዘሎ እዩ ዝኸስስ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59962756"} {"headline":"ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ካብ ቀይዲ ወጺኡ ናብ ገዝኡ ከምዝተመልሰ ተገሊጹ","content":"ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሱዳን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክሳብ እትምለስ ካብ ኩሉ ንጥፈታት ከምዝእግዳ ኣፍሊጡ። እቲ ብሰራዊት እታ ሃገር ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ ቅዋማዊ ኣይኮነን ክብል'ውን እቲ ሕብረት መርገጺኡ ኣነጺሩ'ሎ። እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ኣብ ርእሰከተማ ካርቱም ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት ሕብረት ኣውሮጳ ምስቲ \"ቅዋማዊ መራሒ መሰጋገሪ መንግስቲ\" ዝበልዎ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ክራኸቡ ከምዝደልዩ ገሊጾም ኣለዉ። ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ነቲ ብዕልዋ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ብስልኪ ኣዛሪብዎ። ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ቀዳማይ ሚንስትር ዓብደላ ሓምዶክ፡ \"ንድሕንነቱ\" ብዝብል ኣብ ገዛ ጀነራል ቡርሃን ክጸንሕ ከምዝተገበረን ኣብዚ እዋን ግን ናብ መንበሪ ገዝኡ ከምዝተመለሰን ተፈሊጡ። ካብ መንግስቲ ኣመሪካ ዝወጽአ መግለጺ ከምዝሓበሮ፤ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ገዝኡ ምስ ተመልሰ እዩ ብስልኪ ዘዘራረቦ። ኣብቲ ኣብ ካርቱም ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ከምዝርከብ ማዕከናት ዜና ይሕብራ ኣለዋ። እቲ መግለጺ፡ ኣመሪካ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ቀይዲ ምልቃቑ ብምድጋፍ፡ ኩሎም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ሲቪላዊ መራሕቲ እታ ሃገር ድማ ነጻ ክፍትሑ ሓቲታ ይብል። መራሒ ናይቲ ኣብ ሱዳን ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል-ቡርሃን፤ ሰራዊት እታ ሃገር ብሰኑይ ስልጣን ክቆጻጸር ዝኸኣለ “ሓድሕዳዊ ኲናት ንምክልኻል’ዩ” ኢሉ። ኣብ ከተማ ካርቱም ዝርከቡ መገድታት፣ ድልድላትን ትካላት ንግድን ተዓጽዮም ኣብ ኣደባባያት ዝካየድ ህዝባዊ ተቓውሞ ቀጺሉ’ሎ። ኣገልግሎት ኢንተርኔትን ስልክን ተቛሪጾም ኣለዉ። ኣብታ ሃገር ብዝተወለዐ ጎንጺ ዛጊድ 10 ሰባት ከምዝሞቱ ይግለጽ። “ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝረኣናዮም ሓደጋታት ነታ ሃገር ናብ ኲናት ሓድሕድ ክትኣትው ምገበሩ ነይሮም” ክብል ጀነራል ኣል-ቡርሃን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። \"ኣብቲ ሽዑ እዋን እቲ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብ ገዝኡ'ዩ ነይሩ፤ ጉድኣት ከይበጽሖ ንሰግእ ኔርና። ትማሊ ምስኡ'የ ኣምሲየ፤ ልሙድ ህይወቱ ምንባር ቀጺሉ'ሎ\" ኢሉ። ሲቪላዊ ምምሕዳር እታ ሃገር ክፈርስ ከምዝገበረ፤ ፖለቲካዊ መራሕቲ ከምዝኣሰረን ኣዋጅ እቶ እቶ ከምዝኣወጀን ኣብቲ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ኣብ ካርቱም ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ መሓመድ ዑስማን፤ ጀነራል ኣልቡርሃን ዝርዝር ሚንስትራት ከምዘዳለወን ኣብ ውሽጢ ዝቕጽሉ መዓልታት ሹመት ላዕለዎት ዳያኑ ከምዘፍልጥ ቃል ምእታዉን ብምዝኽኻር፤ እዚ ድማ ቅድሚ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ሰፊሕ ትልሚ ከምዝተዳለወ ዘመልክት ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ ሱዳን ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ማሕበረሰብ ዓለም ይኹነን’ዩ ዘሎ። ኣሜሪካ፣ እንግሊዝ፣ ሕብረት ኣውሮጳ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ኣባላት ካቢኔ ቀዳማይ ሚንስትር ሓምዶክን ካልኦት ፖለቲካዊ መራሕትን ብቕልጡፍ ክፍትሑ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፤ ሱዳን ግዳይ እቲ ንኣፍሪቃን እስያን ብተደጋጋሚ ዝሃስዩ “ለበዳታታት ዕልዋ መንግስቲ” ከምዝኾነት ብምሕባር፤ ሃገራት ብባይቶ ጸጥታ ኣቢለን “ውጽኢታዊ ዝኾነ ስጉምቲ ወይ መቕጻዕቲ” ክወስዳ ኣተሓሳሲቡ። ኣሜሪካ ንሱዳን እትህቦ 700 ሚልዮን ዶላር ረድኤት ደው ከምዘበለት ዘፍለጠት ኮይና ሕብረት ኣውሮጳ ብወገኑ፡ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣጠንቂቑ’ሎ። ክልቲኦም ኣካላት እቲ ሲቪላዊ መንግስቲ ብዘይገለ ቅድመ ኩነት ናብ ዝነበሮ ንኽምለስ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ። ወተሃደራት ካብ ሰኑይ ጀሚሮም ኣብ ካርቱም ገዛ ንገዛ እናዘሩ ንኣተሓባበርቲ ተቓውሞታት ኣብ ምእሳር ከምዝርከቡ ይግለጽ። እንተኾነ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ኣብቲ ዕለዋ ዘለዎም ተቓውሞ ንምግላጽ ናብ ጎደናታት ይወጽኡ ምህላዎም ጋዜጠኛ ቢቢሲ መሓመድ ዑስማን ሓቢሩ። መዕርፎ ነፈርቲ እታ ሃገር ዝተዓጸወ ኮይኑ፤ ክሳብ ቀዳም ኣብ ዘሎ እዋን ዝነበሩ ኩሎም በረራታት ድማ ተሰሪዞም። ሰራሕተኛታት ማእኸላይ ባንኪ ሱዳን ናብ ተቓውሞ ክኣትዉ ከለዉ፤ ዶካትር ብወገኖም ካብ ድንገተኛ ተሓከምቲ ወጻኢ ኣብቶም ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ዝርከቡ ሆስፒታላት ንምስራሕ ፍቓደኛታት ከምዘይኮኑ ጸብጻባት የመልክቱ። እቲ ንነዊሕ ዓመታት ንሱዳን ዝመርሐ ዑመር ኣልበሽር ኣብ 2019 ካብ ስልጣኑ ካብ ዝእለ ንደሓር ኣብ ሞንጎ ሲቪላዊ መራሕትን ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ ምጽንሑ ይፍለጥ። ብመሰረት ኣብ ሞንጎ ሲቪልን ሰራዊትን ብዝተገበረ ስምምዕ ንሱዳን ናብ ዴሞክራሲ ንምምጻእ ውጥን ተታሒዙ’ኳ እንተነበረ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ዝተኻየዱ ተደጋገምቲ ፈተነታት ዕለዋ መንግስቲ ግን እታ ሃገር ናብ ዴሞክራሲ ዘይኮነስ ብኣንጻሩ ትጓዓዝ ምህላዋ የመልክቱ ነይሮም። ጀነራል ኣልቡርሃን ሱዳን ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ንምስግጋር ድለውቲ ከምዝኾነት ብምግላጽ፤ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2023 መረጻ ንምክያድ ውጥን ከምዘሎ ተዛሪቡ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59060423"} {"headline":"ኤርትራ: ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ነበር ብ\/ጀነራል ነጋሽ ተስፋጼን ዓሪፉ","content":"ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ነበር: ገዲም ተጋዳላይ: ብ\/ጀነራል ነጋሽ ተስፋጼን ኣይበል፡ ብ18 ሕዳር 2021 ኣብ መበል 84 ዓመት ዕድሚኡ ዓሪፉ። ጀነራል ነጋሽ ተስፋጼን፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ ኣብ ኣሃዱ ከቢድ ብረትን ክፍሊ ወተሃደራዊ ስልጠናን ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሓላፍነት፣ ካብ 1985 ክሳብ 1987 ከም ኣዛዚ ክፍሊ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ፣ ካብ 1987 ክሳብ ዕለተ ናጽነት ድማ ኣዛዚ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ኢብራሂም ዓፋ ኰይኑ ኣገልጊሉ። ድሕሪ ናጽነት፡ ጀነራል ነጋሽ፡ ኣዛዚ ቤት-ትምህርቲ መኰንናት፣ ኣባል ኮሚሽን ቅዋምን ምኽትል ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን፣ ካብ 2000 ክሳብ 2013 ከኣ ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኮይኑ ን44 ዓመታት ሰሪሑ። ቅድሚ ናብ ቃልሲ ምጽንባሩ ኣብ ኢትዮጵያን ሃገራት ወጻእን ልዑል ወተሃደራዊ ትምህርቲ ዝቐሰመ ጀነራል ነጋሽ: ወዲ ሰብ ብሕጊ እንተዘይተቐይዱ ካብ እንስሳ ስለዘይፍለ ኩላትና ኣብ ቅድሚ ሕጊ ብማዕርነት ክንዳነ ኣለና ዝብል ጽኑዕ እምነት ከምዝነበሮ ብጾቱ ይገልጹ:: ሓደ ካብ ቀረባ መሳርሕተቱ ኣባል ሓይልታት ስልጠና ነበር ዳንኤል ጋርዛ \"ጀነራል ነጋሽ ንዝኣመነሉ ነገር ብዲስፕሊንን ብተዋፋይነትን ዝሰረሐ ሰብ፡ ኣብ ኤርትራ ሞያዊን ትካላውን ሰራዊት ንክትከል ዝጸዓረ ሰብዩ፡ ናይ ቀጥታ ሓላፍየይ ስለዝነበረ፡ ድሌቱን እምነቱን እፈልጦ እየ\" ክብል ዘለዎ ዝኽሪ ጽሒፉ። ስነ-ስርዓት ቀብሩ ሎሚ 19 ሕዳር ሰዓት 10፡00 ቅድሚ-ቐትሪ፡ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ከምዝተፈጸመ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን። ብ\/ጀነራል ነጋሽ ተስፋጼን፡ ኣቦ ሓንቲ ውላድ እዩ:: ኣብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብመዓርግ ሻለቃ እናገልገለ ኣባል ደርግ ክኸውን ተመሪጹ: ብስራሕ ንጀርመን ምስተላእከ ስርዓት ደርግ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንዝፍጽሞ ዝነበረ ግፍዒ ብምቅዋም ኣብ ነሓሰ 1977 ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ። ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ኣብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣኼባታት ንምግባር ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብ መበል 74 ዕድሚኡ ብሰንበት 14 ሕዳር ድሕሪ ምዕራፉ፡ ስነ-ስርዓት ቀብሩ ብረቡዕ ምፍጻሙ ይዝከር።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59353524"} {"headline":"ኵናት ዩክረይን፡ መዘከርታ ኵናት ኣሰናዳኢት ቢቢሲ ዩክረይን","content":"እዚ ኵናት ካብ ዝጅምር ካልኣይ ሰሙን ንሕዝ ኣለና፡ ኣነ'ውን ምብኻይ ኣቋሪፀ ኣለኹ። ለይቲ ዝነበሩ ዜናታት ብምንባብን ኣብ መላእ ዩክረይን ዘጋጠሙ ነትጕታት ብምቑፃርን እየ መዓልተይ ዝጅምሮ። ቅድሚ ሒደት መዓልታት ካብ ድቃሰይ ክነቅሕ እንከለኹ፡ ፀብፃባት ምስ ዝርእይ፡ ኣቦይ ኣብ ዝነብረሉ ከተማ ኪቭ ዓበይቲ መጥቃዕትታት ሮኬት ከምዝተፈፀሙ ፈለጥኩ። ትብዓት ረኺበ ኣቦይን በዓልቲ ገዝኡን ደሓን ምዃኖም ስልኪ ደዊለ ንምሕታት፡ 10 ደቓይቕ ወሲዱለይ። ኩሎም ደሓን ኔሮም። ዓብይ ሩፍታ ተሰሚዑኒ። ኣብ ኪቭ ዝወረደ ዘስካሕክሕ ዕንወትን ታንክታት ሩስያን ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ኣብ ዝርከባ ቁሸታት ክርኢ ከለኹ፡ ፀጥትኡን መሓዙትና ዝቕመጥዎ ዝነበሩ ጥንታዊ ናይ ሩስያ ገዛውትን ጦብላሕ ይብለኒ። ይዝከረኒ ምስ ደቅና ንበፅሖም ነይርና፤ ምቾት ኣብ ዝተመልኦ ወንበር ኮፍ ኢልና ብሓባር ኣብ ሓዊ ዝተጠበሰ ስጋ በሊዕናን ወይኒ ሰቲናን ኢና። ኣብዚ እዋን ካብዘን ከተማታት ገሊአን፡ ብኸቢድ ብረትን ውግእን ዓንነየን እየን። ኣብ ምጅማር እቲ ኵናት ሓደ ነዕይንተይ ብንብዓት ዝሓፀቦ ነገር፡ ብዝተፈላለዩ መተግበርታት ብዛዕባ ኣብ ኪቭ ዘለዉ ፍሉያት ምድላዋት ዝተመሓለለፈ መልእኽቲ እዩ። ሙዚቃዊ ምድላዋትን ምርኢታትን ኣብታ ዕለት ንሳ ካብ ዘይህልዉ ነገራት ኔሮም። ሕስብ ከብሎ እንከለኹ፡ ኣካል ሕሉፍ ህይወት እዩ ዝመስለኒ። ሕዚ እዞም መተግበርታት ካልእ ዓይነት ሓበሬታ'ዮም ዝህቡ ዘለዉ። ብዛዕባ ደብዳብ ኣየር፣ ዝርዝር ምግቢ ዘለዎም ሱፐርማርኬታትን ኣፋውስ ዘለዎም ቤት ኣፋውስን'ዮም ዘፍልጡ። ወላዲተይ ልዕሊ ነብሳ ዝያዳ ንድሙን ከልብን ብኸመይ ምግቢ ትረክብ ዝብል ኣሻቒልዋ። ኣብ ዝሓለፈ መዓልቲ ግና ክልተ ባኒ ክትዕድግ ከምዝኸኣለት ክትነግረኒ ሕጉስ ኢላ ደዊላትለይ። ኣብታ ምግቢ መሊኡ ዝተርፈላ ዝነበረት ከታማ'ዩ፡ እዚ ዝኸውን ዘሎ። እዚ ስእነት ምግቢ፡ ዝተቓፀላ ታንክታት ካብ ምርኣይ ንላዕሊ ዘስምብድ'ዩ። ሕፅረት ምግብን ባዶ ዝተረፉ መኽዘኒታትን ሕዚ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት'ዩ። ኣብያተ ብልዒ ንወተሃደራትን መንበሪ ገዝኦም ንዝዓነዎም ሰባትን ብናፃ ምግቢ የዳልዋ። ወዲ 10 ዓመት ወደይ ናብ ቤት ትምህርቲ ኣይከይድን፡ ብኦንላይን'ውን ትምህርቲ ኣይከታተልን። ገለ መምህራን ኣብ ኪቭ'ኳ እንተለው፡ ገሊኦም ድማ ወፅዮም'ዮም። መማህርቱ ዝነበሩ ናብ ገጠር ወይ ናብ ወፃኢ ሃገር ሃዲሞም'ዮም። ብ'ዙም' እዮም ዝፃወቱ፤ ንዩክረይን ዝቃለሱ ሰርሰርቲ ብምምሳል ይፃወቱ። ኣብ ፀወትኦም ብክፍሊ ካብ ዝመደብዎ ሓደ 'ጉዳይ ኵናት' ዝብል እዩ። መዓልታዊ ዩክሬናውያን ኣብ ዘለውዎ ምፅናሕ ወይ ምስዳድ ዝብል ውሳነ የጓንፎም ኣሎ። ኣብ መፈለምታ ሰሙን እዚ ኵናት፡ ዳርጋ ሓደ ሚልዮን ሰባት፡ ስደተኛታት ንምዃን ሳንጥኦም ጠቕሊሎም ካብ ዩክረይን ተሰዲቶም እዮም። እዚ ኣሃዝ ነንሻቡ'ዩ ዝውስኽ ዘሎ። ብዙሓት ግና ንግዚኡ ኣብ ዓዶም ክጸንሑ ወሲኖም ኣለው። ስሙያት ድምፃውያን፣ ስነ-ጥበበኛታትን ስፖርተኛታትን ናብ ሰራዊት ዩክረይን ንምፅንባር ተመዝጊቦም። ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ዩክሬናውያን ከኣ ብጣዕሚ ንዝተፀገሙ ንምሕጋዝ፡ ወለንተኛታት ኮይኖም። ዩክሬናውያን ሓደ ዓብይ ስድራ ዝኾኑ ይመስሉ። ሕድሕድ ኣባል፡ ብዝኽእሎ ኩሉ ንምትሕግጋዝ ይፍትን ኣሎ። እቶም ክዋግኡ ዝኽእሉ፡ ይዋግኡ፣ ምግቢ ክሰርሑ ዝኽእሉ፡ ምግቢ ይሰርሑ፣ ምብፃሕ ዝኽእሉ፡ የብፅሑ። ሓይልታት ሩስያ መጀመርታ ካብ ዝተቖፃፀርዋ ከተማ ኬርሶን ልቢ ዝሰብር ታሪኽ ሰሚዐ፤ እግርን ኣፃብዕትን ዘይብሎም ሽማግለ ሰብኣይ ወለንተኛ ኮይኖም። ኣብዚ እዋን ነፍሲ ወከፍ ከተማን ገጠርን ብሑጻን ስሚንቶን ዝተሰርሐን መፈተሺ ነቑጣታት ኣለወን። ካብ ኪቭ ዝሃደሙ መናእሰያት ሰብሞያ፡ ሓረስቶትን ጡረተኛታትን፡ ሰነዳት ዝኣትዉ ሰባት የረጋግፁ። ኣነ ኣብ ዘለኽዎ ቁሸት ክለተ ኬላታት ፍተሻ ኣለዉ። ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝኾኑ ደቂተባዕትዮ ኣብ 24 ሰዓት እናተቐያየሩ ይሕልዉ። ብረት፡ ካራታትን ፋስን ዝሓዙ'ዮም። ብዘለዎም ነገር ኩሉ ማሕበረሰቦም ንምሕላው ድሉዋት'ዮም። ከምዚ ዓይነት መንፈስ ሓድነት ኣብ ዩክሬናውያን ፅኑዕ ኮይኑ ኣይፈልጥን። እዛ ሃገር ናይ ኣናህብ ብዝመስል ንጥፈታት ዝተመልኣትን ተስፋ ዓወት እትህብን ኮይና'ላ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60644197"} {"headline":"ናይ ተመርዓውኒ' ሕቶ ዝተቐበለት ኣባል ሰራዊት ናይጀርያ ኣብ ቀይዲ ኣትያ","content":"ኣብ ናይጀርያ ወተሃዳራዊ ክዳን ተኸዲና ኣብ ስራሕ እናሃለወት ካብ ኣፍቃሪኣ ንዝቐረበላ ናይ “ትምርዓውኒ ዲኺ?” ሕቶ ዝተቐበለት ኣባል ሰራዊት ኣብ ቀይዲ ውዒላ። ወሃቢ ቓል ሰራዊት ናይጀርያ “ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲና ፍቕራዊ ድልየታ ብምፍታና” ንወተሃደራዊ መምርሕታት ስነምግባር ከምዝጠሓሰት ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ሓንቲ ወተሃደር ኣፍቃሪኣ ኣብ ቅድሚኣ ተምብርኪኹ ናይ “ትምርዓውኒ ዲኺ?” ሕቶ ከቕርበላ የርእይ። ንውሳነ ሰራዊት ምክልኻል ስዒቡ ጉጅለታት መሰላት ደቂኣንስትዮ፡ ኣብ ልዕሊኣ ኣድልዎ ከምዝተፈጸመ ብምግላጽ ተቓውሞአን ኣብ ምስማዕ ይርከባ። ሓንቲ ጉጅለ ምብቃዕን ደገፍ ሕግን ንደቂኣንስትዮ፡ ቅድሚኡ ደቂተባዕትዮ ወተሃደራት “ሙሉእ ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲኖም ፍቕራዊ ርክቦም ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ክገልጹ ከለዉ” ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከምዘይተወሰደ ብምጥቃስ ተቓውሞኣ ገሊጻ። ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን ሕጹይ ፕረዚዳንታዊ መረጻ ናይጄርያ ነበርን ኦሞዬሌ ሶዎሬ “ጽልኢ ደቂኣንስትዮ” ክብል ንውሳነ ሰራዊት እታ ሃገረ ገሊጽዎ። እታ ወተሃደር፡ ኣብ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንተመረቕቲ ዩኒቨርሲቲ ዝዳሎ ፕሮግራም ስልጠና ካብ ዝከታተል መናእሰይ ሓደ ናይ “ክትምርዓውኒ ዲኺ?” ሕቶ ዝቐረበላ ኮይኑ፤ እቲ ስልጠና ከኣ ብሰራዊት እታ ሃገር’ዩ ዝወሃብ ነይሩ። እቲ ሕቶ መርዓ ድማ ኣብቲ ስልጣና ዝወሃበሉ እዋን ከምዝቐረበላ ተፈሊጡ’ሎ። መዓዝ ከምዝተፈጸመ’ኳ እንተዘይተፈለጠ እቲ ቪድዮ ግን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ዩ ተዘርጊሑ። ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸብታት ነቶም መጻምዲ ናይ እንኳዕ ሓጎሰኩም ሰናይ ትምኒቶም ካብ ምግላጽ ብተወሳኺ ነቲ ሕቶ ዘቕረበ ኣፍቃሪ’ውን ዘለዎም ናእዳን ክብርን ኣስፊሮም። ገለ ድማ ኣብታ ወተሃደር ኣላጊጾም። ወሃቢ ቓል ሰራዊት ናይጀርያ ጀነራል ክሌመንት ዋችክዉ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እታ ወተሃደር ንስነምግባር እቲ ሰራዊትን ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ንዝኽተሎ ፖሊሲን ከምዝጠሓሰት ተዛሪቡ። “ሓላፍነት ናይ ኣሰልጠንቲ፡ ነቶም መናእሰይ ስልጠና ምሃብ እምበር ምስኦም ፍቕራዊ ርክባት ምፍጣር ኣይኮነን” ኢሉ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59731191"} {"headline":"ሱዳን: ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል-ቡርሃን ኣብ ቀጻሊ ኣብ ዝምስረት መንግስቲ ከምዘይሳተፍ ገሊጹ","content":"ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል-ቡርሃን: ኣብቲ ድሕሪ መሰጋገሪ እዋን ዝጣየሽ መንግስቲ ክሳተፍ ከምዘይደሊ ንኣልጀዚራ ተዛሪቡ፡፡ ንሱ፡ ነቲ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝፈጸሞ ዕልዋ ዝቃወሙ ሰልፈኛታት ቀቲሉ ዝብል ክሲ እውን ነጺጉ፡፡ ስልጣን ንሲቪላዊ ምምሕዳር ከረክቡ ድልየት ከምዘለዎም ዝሓበረ ኣልቡርሃን: እቲ ስግግር ብዝኾነ ኢድ ኣእታውነት ከይተዓናቐፍ ከምዝከላኸሉ ተዛሪቡ፡፡ ኮሚተ ሓካይም ሱዳን ዝተባህለ ማሕበር ከምዝሓበሮ፡ ኣብቲ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ካብ 26 ጥቅምቲ ጀሚሩ ዝተኻየደ ነቲ ዕልዋ ዝቃወም ሰልፊ 14 ሰባት እንትሞቱ ልዕሊ 300 ቆሲሎም ኣለዉ፡፡ ነቲ ክሲ ዝነጽግ ኣልቡርሃን ግና ‘‘ሰራዊት ሱዳን ሲቪላት ኣይቐትልን’’ ክብል ንኣልጀዚራ ተዛሪቡ፡፡ ብተወሳኺ ዋላ‘ኳ ዝተፈላለዩ ዕንቅፋታት እንተሃለዉ፡ ኣብቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ብዛዕባ ዝህልዎም ብጽሒት ፖለቲካዊ ጉጅታት ሱዳን ኣብ ዝቕጽሉ 24 ሰዓታት ክሰማምዑ እዮም ኢሉ ተስፋ ከምዝግብር ምግላጹ እቲ ማዕከን ዜና ሓቢሩ፡፡ ኣብዚ ሰሙን ንቕልውላው ሱዳን ፍታሕ ንምርካብ ልኡኽ ሊግ ዓረብ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ካርቱም ምብጻሕ ኣካይዱ ነይሩ፡፡ ብኻልእ ዜና 'ሕመቲ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣዛዚ ተወርዋሪ ሓይልታት ሱዳን፡ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ፡ ነቲ ጀነራል ኣልቡርሃን ዘካየዶ ዕልዋ ከምዝደገፈ ተገሊጹ፡፡ ምክትል ናይቲ ዝፈረሰ ሉእላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዝነበረ ሄመቲ፡ ጀነራል ቡርሃን ‘‘ናታቶም መስመር ንምዕራይን ምርግጋእን ንድሕነት እታ ሃገር ምሕላውን እዩ መጺኡ’’ ኢሉ፡፡ ብሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ሓይልታት ጸጥታ ዘንብዕ ጋዝ ከምዝተኮሱን ዝተወሰኑ መምህራን ከምዝኣሰሩን ተገሊጹ ነይሩ፡፡ እቶም ሰልፈኛታት ወታሃደራዊ ምምሕዳር ከበቅዕ እዮም ዝጠልቡ ዘለዉ፡፡","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59211288"} {"headline":"ምትፍናን ሩስያን ዩክሬን ናብ ኲናት ከምርሕ ዘሎ ተኽእሎ ክሳዕ ክንደይ'ዩ?","content":"ሓይልታት ሩስያ ምስ ዩክሬን ኣብ ኲናት ክኣትዉ ይዳለዉ ኣለዉድዮም? ብርግጽ እዚ ፍርሒ'ዚ ኣብ መራሕቲ ምዕራባውያን ሃገራትን ዩክሬንን ተፈጢሩ'ሎ። ቅድሚ ሸሞንተ ዓመታት ሩስያ ንገለ ክፋል ደቡባዊ ዩክሬን ድሕሪ ምቁጽጻራ፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል'ውን ብሩስያ ዝድገፉ ዕጡቓት ተቓወምቲ ግጭት ወሊዖም ይርከቡ። ክልቲአን ሃገራትን፡ ሓደ መንጎኛ ውድብ ኣውሮጳን፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ከኽብርዎ ብረቡዕ ተሰማሚዖም ነይሮም። ፕረዚደንት ሩስያ፡ ቭላድሚር ፑቲን ብሓሙስ 23 ታሕሳስ ንምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ዘቕረቦ ጻውዒት \"ንስኹም ኢኹም ውሕስነት ክትህቡና ዘለኩም፡ ሕጂ ብህጹጽ ድማ ኢኹም ክትህቡና ዘለኩም\" ክብል ጠሊቡ'ሎ። ሩስያ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ከምእትወስድ ኣብ እተፈራርሓሉ ዘላ እዋን፤ ኣመሪካ ብወገና ሩስያ ንዩክሬን እንተ ወሪራታ፡ ቅድሚ ሕጂ ተገይሩ ዘይፈልጥ እገዳ ኣብ ልዕሊኣ ከም እተንብር ኣጠንቂቓ'ላ። ንምዃኑ እቲ ኩነታት እንታይ ይመስል? እታ ሓንቲ ካብተን ንሶቬት ሕብረት ነበር ዘቖማ ሪፓብሊካት ዝኾነት ሃገረ ዩክሬን ምስ ሕብረት ኣውሮጳን ሩስያን'ያ ትዳወብ። ብሰንኪ ኣብ እዋን ሶቬት ሕብረት ዝነበረ ርክብ ግን፡ ክልቲአን ሃገራት ዓሚቚ ማሕበራዊን ባህላዊን ዝምድና ኣለወን። ቋንቋ ሩስያ'ውን ኣብ ዩክሬን ብሰፊሑ ይዝረብ'ዩ። የክሬን ናብ ትካላት ሕብረት ኣውሮጳ ምጽጋዓ ሩስያ ብዓይኒ ጥርጠራ ክትሪኦ'ያ ጸኒሓ። ኣብ 2014፡ ዩክሬናውያን ነቲ ምስ ሩስያ ጥቡቕ ዝምድና ዝነበሮ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዮም፡ ሩስያ ንደቡባዊት ወሽመጥ ክሪሚያ ብምቁጽጻር ኣካል ግዝኣታ ምዃኑ ኣዊጃ። ብሩስያ ዝድገፉ ተቓወምቲ ብወገኖም፡ ዶንባስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰፊሕ ከባቢታት ምብራቓዊ ዩክሬን ተቖጻጺሮም። ሞስኮ፡ እዛ ጎረቤታ ዝኾነት ዩክሬን ኣባል ናይቲ መቀናቕንቲ ሩስያ ዝኾነ፡ ብኣመሪካ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ከይትኸውን'ያ ትጠልብ። ኣብ ምብራቓዊ ዶባት ዩክሬን ክካየድ ዝጸንሐ ግጭት ይቕጽል ኣሎ። ሩስያ ታንክታትን ኣነጻጸርቲን ናብቲ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ዘሎ ከባቢ ኣእትያ ከምዘላ ዩክሬን ትኸስስ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ሻቕሎት ፈጢሩ ዘሎ ህላወ ናይቲ ኲኖ ዶብ ተጸጊዑ ዘሎ ደርማስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሩስያ'ዩ። ምዕራባውያን ትካላት ስለያ ከምዝብልዎ፡ እቲ ሓይሊ ልዕሊ 100 ሽሕ ዓቕሚ ዘለዎ'ዩ። ዘይተርፍ ስግኣት ዘሎ ኣይመስልን ወይ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላዲሚር ፑቲን ወራር ከካይድ ከምዝወሰነ ዘረጋግጽ ነገር ዛጊት የለን። እንተኾነ ግን፡ ነቲ ምዕራባውያን ሃገራት ዝኽተልኦ ዘለዋ ተሪር ኣንፈት \"ብቑዕ ዓጸፋዊ ወተሃደራዊ ቴክኒካዊ ስጉምቲ\" ከምዘድልዮ ምዝራቡ ስክፍታ ፈጢሩ ይርከብ። ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፡ ሰርገይ ሪያብኮቭ፡ እቲ ኣብቲ ዞባ ሰፊኑ ዘሎ ወጥሪ ከምቲ ኣብ 1962 ተፈጢሩ ዝነበረ ቅልውላው ኑክሌራዊ ሚሳይል ኩባ ዝበለ ኩነታት ከምርሕ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ'ሎ። ኣብ 1962 ኣብ ኩባ፡ ኣብ መንጎ ሶቬት ሕብረትን ኣመሪካን ዝተፈጠረ ኑክሌራዊ ምፍጣጥ ኣብ ዓለም ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ ምንባሩ መዛግብቲ ታሪኽ ይጠቕሱ። ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆን ኤፍ ኬነዲን፡ መራሒ ሶቬት ኒኪታ ክሩስቾቭን ኣብ መወዳእታ ነቲ ቅልውላው ከህድእዎ ብምስምምዖም ግን፡ ዓለም ካብ ኑክሌራዊ ኲናት ድሒና ተባሂሉ'ዩ ዝግለጽ። ምዕራባውያን ትካላት ስለያ ይኹኑ፡ ትካላት ናይ ዩክሬን ከምዝእምትዎ፡ ከፊላዊ ምትእትታው ወይ ምሉእ ወራር ኣብ ፈለማ 2022 ክኽሰት ይኽእል'ዩ። \"እቲ ኩነታት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክዓርገሉ ዝኽእል ድልውነት ኣብ መወዳእታ ጥሪ\" ክኸውን ይኽእል'ዩ ክብል ሚኒስተር ምክልኻል ዩክሬን ኦለክሲ ረዚኒኮቭ ይዛረብ። ትካላት ስለያ ኣመሪካ ከምዝብልዎ ድማ፡ ኣስታት 175,000 ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ዝመጽእ ጥሪ ድልዋት ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም። ፕረዚደንት ፑቲን \"ሰራዊት ሩስያን ትካላት ጸጥታ ሩስያን ደርማሳዊ ስጉምቲ ክወስድሉ ኣብ ዘኽእሎም ደረጃ የብጽሖም ኣሎ\" ክብል ዳይረክተር ሲ-ኣይ-ኤ ዊልያም በርንስ ተዛሪቡ ነይሩ። እቲ ዝግበር ዘሎ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ፡ ኔቶ ካብ ኣፍደገ ሩስያ ንክርሕቕ ዝግበር መናውራ ክኸውን'ውን ይኽእል'ዩ። ቅድሚ ሕጂ'ውን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ተራእዩ ስለዝነበረ። ሽዑ ግን፡ ሩስያ ነቲ ዘካየደቶ መጠነ-ንኡስ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ልምምድ'ዩ ኢላ ብምንእኣስ ስሒባ- ዋላ'ኳ ገለ ኪኢላታት ከፊላዊ ምስሓብ ከምዝገበረት ዝምጉቱ እንተኾኑ። ዝኾነ ሕድገታት ግን ኣይገበረትን። ኣመሪካን ሩስያን ሕጂ'ውን ካብ ዝርርብ ዓዲ ኣይወዓላን። ነቲ ወጥሪ ንምህዳእ ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ሩስያዊ መዘናኡ ፑቲንን ብ7 ታሕሳስ ብቪድዮ ናይ ማዕዶ ርክብ ኣካይዶም ነይሮም። ፕረዚደንት ፑቲን'ውን ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥሪ ኣብ ጀነቫ ተወሳኺ ልዝብ ክግበር ከምዝኽእል ተስፋ ሂቡ ነይሩ፡ ዋላ'ኳ ኣብቲ ብዛዕባ ኔቶ ዘለዎ ጠለባት ዘተኩር እንተኾነ። ፈለማ፡ ሩስያ፡ ነቲ ኣብ ዞባ ክሪሚያ፡ ኣብ ከባቢ ምብራቕ ዩክሬን እትእክቦ ዝነበረት ወተሃደራዊ ሓይሊ ዘርኢ ናይ ሳተላይት ስእልታት፡ ኣእዋዪ ብምባል ክትነጽጎ ፈቲና ነይራ። ብፍላይ ኣዛዚ ሰራዊት ሩስያ ጀነራል ቫለሪ ገራሲሞቭ፡ \"ሩስያ ንዩክሬን ክትወራ ትዳሎ ኣላ ብዝብል ኣብ ሜዲያ ዝናፈስ ዘሎ ወረ ሓሶት'ዩ\" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። ብድሕሪኡ ግን፡ ፕረዚደንት ፑቲን \"\"ብቑዕ ዓጸፋዊ ወተሃደራዊ ቴክኒካዊ ስጉምቲ ብምውሳድ ንተጻባኢ ስጉምቲታት ግብረመልሲ\" ከምዝህብ ምፍርርሑ ነቲ ስክፍታ ኣዕሪጉዎ። ዩክሬን ብወገና፡ ፍርቂ ወተሃደራዊ ዓቕማ- ኣስታት 125 ሽሕ ኣባላት- ኣብ ምብራቓዊ ዶባታ ኣጸጊዓ ኣላ ክትብል ሩስያ ትኸስስ። ዩክሬን ግን፡ እቲ ሓይሊ ኣንጻር እቶም ኣብ ዞባ ኪየቭ ዝዋግኡ ዘለዉ ዕጡቓት ተቓወምቲ ዝዓለመ'ዩ ብምባል፡ ናይ ሩስያ ክሲ፡ \"ትርጉም ኣልቦ ፕሮፖጋንዳን\" ነቲ ሓሲባቶ ዘላ ናይ ወራር ውጥን ጎልባብ ንምግባርን'ዩ ብምባል ትነጽጎ። ሃገራት ወተሃደራዊ ኪዳን፡ ኔቶ፡ ንዩክሬን ኣጽዋር የዕጥቓኣ ኣለዋ ክትብል'ውን ሩስያ ትወቅስ'ያ። ብፍላይ ንኣመሪካ ዘነጻጸረ ነቐፌታ ከስምዕ ዝጸንሐ ፑቲን፡ ሃገሩ \"ነድሓርሕረሉ ቦታ የለን- ኮፍ ኢልና ንጽበዮም ድዩ ዝመሰሎም\" ኢሉ ነይሩ። እቲ ስግኣት፡ እቲ ሩስያ ብወገና ተቕርቦ ዘላ ቅሬታታት ወተሃደራዊ ስጉምቲ ንክትወስድ ጎልባብ ከይኮና ዝብል'ዩ። ኣብ ፈለማ ወርሒ ታሕሳስ፡ ሓደ ላዕለዋይ ኣባል ባይቶ ሩስያ ዝኾነ ቭላድሚር ዛባሮቭ ከምዝበሎ፡ ኣስታት 500 ሽሕ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ተቓወምቲ ዘለዉ ዩክሬናውያን ናይ ሩስያ ፓስፖርት ከምዝተዋህቡ ሓቢሩ ነይሩ። እቶም ተቓወምቲ ሓገዝ ሩስያ እንተጠሊቦም ድማ \"ንበይኖም ክንገድፎም ኣይንኽእልን\" ክብል ተዛሪቡ። ምዕራባውያን ሃገራት፡ ብዛዕባ ዩክሬን ዝምልከት \"ቀይያሕቲ መስመራት\" ክሰግራ የብለንን ክብል ፕረዚደንት ፑቲን ኣጠንቂቑ'ሎ። እዞም ቀያሕቲ መስመራት ግን ኣበይ ዘለዉ'ዮም? ሓደ ካብኦም፡ ወተሃደራዊ ሰሜን ኣትላንቲክ፡ ንዩክሬንን ጆርጅያን ከየጠቓልል ዝብል'ዩ። ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ዝገብሮ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ደው ከብሎ'ዩ። እዚ ማለት ድማ ኣሃዱታት ካብ ፖላንድን ካብተን ኣብ ዞባ ባልቲክ ዝርከባ ሃገራት ኢስቶንያ፡ ላቲቭያን ሉትዌንያን ክስሕብ። ብተወሳኺ፡ ኔቶ ኣብ ፖላንድን ሮማንያን ሚሳይላት ከይተክል ዝብሉ'ዮም። ብሓጺሩ ኔቶ፡ ናብቲ ቅድሚ 1997 ዝነበሮ ክሊ ክምለስ'ያ ሩስያ ትጠልብ። ፑቲን ከምዝብሎ፡ ሃገሩ፡ ደማዊ ረጽሚ ብምውጋድ ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ንምርካብ'ያ ትጽዕር ዘላ። እንተኾነ ግን፡ ከምዚ ዓይነት ጠለባት ተቐባልነት ከምዘይብሉ ብኣግኡ ዝተፈልጠ'ዩ። ይኹን እምበር፡ ብወገኑ እንታይ ከምዝደሊ ኣነጺሩ ከምዘሎን፡ ሕጂ እታ ኩዕሶ ኣብ ሜዳ ምራባውያን ሃገራት ከምዘላን'ዩ ዝገልጽ። ንዩክሬን ዝወሃብ ወተሃደራዊ ደገፍ ኣመሪካ \"ኣብ ኣፍደገ ገዛና\" ይካየድ ኣሎ ዝብል ፑቲን፡ ዩክሬን በታ ኣባል ኔቶ ዝኾነት ቱርኪ ዝተሰርሓ ድሮናት ኣንጻር እቶም ብሩስያ ዝድገፉ ዕጡቓት ተውዕለን ምህላዋ ባህ ከምዘየበሎ ኣይሓብአን። ሃገራት ምዕራብን ዩክሬንን ኣብ ጸሊም ባሕሪ ዘካይድኦ ወተሃደራዊ ልምምድ'ውን ስክፍታ ዝፈጥረሎም ምዃኑ ኣነጺሩ'ዩ። እቲ ሩስያዊ መራሒ ኣብ ሓምለ 2021 ኣብ ዘውጽኦ ነዊሕ መግለጺ፡ ሩስያን ዩክሬንን \"ሓንቲ ሃገር\" እየን ክብል ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብ ዘመነ ሶቬት ሕረብት ዝነበረን ርክብ ብምዝካር፡ ናይ መራሕቲ ዩክሬን \"ኣንጻር ሩስያ ዝቐንዐ ፕሮጀክት\" ኣለዎም ክብል ከሲሱ ነይሩ። እቲ ኣብ 1991 ዘጋጠመ ምፍራስ ሶቬት ሕብረት ነበር ንፑቲን ከምዘሕምሞ'ዩ ዝፍለጥ። \"ምፍራስ ታሪካዊት ሩስያ\" ክብል ድማ'ዩ ዝገልጾ። ዋና ጸሓፊ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)፡ ጀንስ ስቶልተንበርግ ከምዝብሎ፡ ምስ ዩክሬን ዘለዎም ምትሕግጋዝ ኣብ ምክልኻል ዘተኮረ'ዩ። ብሪጣንያ፡ ክልተ ወተሃደራዊ መዓስከራት ሓይሊ ባሕሪ ዩክሬን ኣብ ገማግም ባሕ ሪኣዞቭን ጸሊም ባሕሪን ኣብ ምህናጽ ክትተሓባበር ምዃና ይፍለጥ። ኣመሪካ'ውን 'ጃቨሊን' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጸረ-ታንክ ሚሳይላት ንዩክሬን ከምዝሃበት'ዩ ዝግለጽ። ብዘይካ'ዚ፡ ክልተ ጀላቡ ሓለዋ ባሕሪ ኣመሪካ ንሓይሊ ባሕሪ ዩክሬን ተዋሂበን ኣለዋ። ዋላ'ኳ፡ ዩክሬን ኣባል ኔቶ ክትከውን ከምዘይተፍቅድ ሩስያ እንተገለጸት፡ ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዘለነስኪ ግን፡ ኔቶ፡ ኣባልነት ሃገሩ መዓስ ከምዘጽድቕ ከረጋግጽ'ዩ ዝምሕጸን ዘሎ። \"ዩክሬን መዓስ ናብቲ ኪዳን ትጽንበር፡ ዩክሬንን 30 ኣባላት [ኔቶን] ዝውስንዎ'ዩ\" ይብል ስቶልተንበርግ። ኣመሪካ፡ ዩክሬን \"ልኡላዊ መሬታ\" ንምክልኻል ክትድግፋ ምዃና ዓው ኢላ ክትዛረበሉ ዝጸንሐት መርገጺ'ዩ። ዩክሬን እንተ ተጠቒዓ \"ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ\" ስጉምቲታት ክወስድ ምዃኑ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣጠንቂቑ'ሎ። እንተኾነ ግን፡ ሰራዊት ኣብ ዩክሬን ምውፋር ዝብል ኣማራጺ ኣብ ውጥን ከምዘየለ'ዩ ዝገልጽ። ዩክሬን ብወገና፡ ዋላ'ውን በይና እንተኾነት፡ ርእሳ ንምክልኻል ክትዋጋእ ምዃና ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዲሚትሮ ኩለባ ይገልጽ። ኣመሪካን መሻርኽታን፡ ነቲ ብሩስያ ዝተሓንጸጸ \"ቀያሕቲ መስመራት\" ብምጥሓስ ይኹን፡ ዩክሬን ኣባል ኔቶ እንተኾይናን፡ እቲ ዝገብርኦ ቁጠባዊን ካልእን ስጉምቲታትን ብኸመይ ንኪየቭ ክጠቕማ ይኽእል ዝብል ዓቢ ሕቶ'ዩ። እቲ ዝዓበየ ምዕራባውያን ሃገራት ክጥቀማሉ ዝኽእላ መሳርሒ፡ እገዳታትን ንዩክሬን ወተሃደራዊ ሓገዝ ምብርካትን'ዩ ዝመስል። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ቪኪ ፎርድ ከምዝበለቶ፡ ሃገራ ንዩክሬን ክትህቦ ዝጸንሐት ወተሃደራዊ ደገፍ ከተሐድሶ ትሓስብ ኣላ። ኣብ መዳይ ቁጠባ ግን፡ እቲ ዝዓበየ ስጉምቲ ስርዓተ-ባንኪ ሩስያ ካብ ዓለም ክብተኽ ምግባር'ዩ። ነቲ ኣብ ባንክታት ዓለም ዘሎ ሃብቲ ሩስያ ዒላማ ምግባር'ውን ዘይተርፍ'ዩ ዝኸውን። ካልእ'ውን፡ እቲ ብጀርመን ዝሓልፍ 'ኖርድ ስትሪም 2' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናብ ምዕራብ ኣውሮጳ ዝኸይድ ሓድሽ መስመር ጋዝ ሩስያ ምኽልካል'ዩ። ጀርመን ብዛዕባ'ዚ ጌና ኣብ ዝኾነ ውሳነ ኣይበጽሐትን ዘላ። ሩስያ ነቲ ወጥሪ ከምዝዓርግ እንተጌራ ግን፡ እቲ መስመር ከምዘይሰርሕ ሰብመዚ ጀርመን ኣነጺሮም ኣለዉ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59773404"} {"headline":"ቅልውላዉ ኢትዮጵያ፡ ካቢነ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ኣዊጁ","content":"ካቢነ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ: ኣብታ ሃገር ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ከም ዝኣወጀ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኣፍሊጠን። ኣብ ርእሲኡ ኣብ ኣዲስ አበባ ዝርከቡ ነበርቲ ኣጽዋሮም ከመዝግቡን ከባቢኦም ክሕልውን እውን ጻውዒት ቀሪቡ'ሎ። እቲ ስጉምቲ፡ ሓይልታት ትግራይ ነተን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከባ ኣገደስቲ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ብምቁጽጻር ንቕድሚት ይግስግሱ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላጾም'ዩ ዝውሰድ ዘሎ። ትማሊ ሰኑይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ሰብ መዚ ክልል ኣምሓራ ንገስጋስ ናይቶም ዕጡቓት ተቓወምቲ ንምግታእ ኩሉ ሰብ ክኸትት ጸውዑ ነይሩ። እቲ ን6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣዋጅ፡ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ከምዝውዕልን: ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ብፓርላማ ክጸድቕ ምዃኑን ሚኒስተር ፍትሕን ሚኒስተር ኮሚኒኬሽንን ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ጠቒሶም። እቲ ኣዋጅ ብላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊ ትኢትዮጵያ፡ ኢታማጆር ሹም ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ዝመሓደር ኮይኑ፡ ተሓታትነቱ ንቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝኸውን ሚኒስተር ፍትሒ ዶ\/ር ጌዴዮን ጢሞቲዎስ ኣብሪሁ። እቲ ውሳነ፡ ሰብ መዚ መንግስቲ ብዘይ ናይ ቤት ፍርዲ ፍቓድ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከእትዉን፡ እገዳታትን ገደባትን ከንብሩ ስልጣን ዝህብ'ዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፈልትማን \"ሰራዊት ትግራይ ናብታ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ኣዲስ ኣበባ ከይኣትው ብምምሕጻን፡ ገስጋስ ህወሓት ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣጥቢቑ ከምዝቃወም ሓቢሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ትማሊ ሰኑይ ንላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ ኣኪቡ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ መብርሂ ኣብ ዝሃበሉ ኣብ ግንባር ወሎ ኢትዮጵያውን ዘይኮኑ ወታሃደራት ንሓይልታት ትግራይ ብምሕጋዝ ተዋጊኦም ክብል ከሲሱ። ''ኣብቲ ኲናት ናይ ኢትዮጵያ ዘርኢ ዘይብሎም ጸዓዱን ጸለምትን ምስቲ ግብረ ሽበራዊ ጉጀለ ተሰሊፎም መስዋእቲ ከምዝኸፈሉ ኣረጋጊጽና'' ኢሉ። እንተኾነ ብዛዕባ መንነት እቶም ኣብ ጎኒ ሓይልታት ትግራይ ተሰሊፎም ተዋጊኦም ዝተባህሉ ኢትዮጵያውያን ዘይኮኑ ዕጡቓት ኣይገለጸን። ወሃቢ ቃል ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ሓይልታቶም ትግራይን መሻርኽቶምን ንስርዓት ኣቢይ እንተደኣ ዓልዮሞ መሰጋገሪ መንግስቲ ከቑሙ ምዃኖም ሓቢሩ። ''እንተደኣ እቲ መንግስቲ ወዲቑ ናይ ግድን መሰጋገሪ መንግስቲ ከነቕውም ኢና\" ድሕሪ ምባል ሃገራዊ ዘተ ከምዝህሉን ኣቢይን ምኒስተራቱን ግን ኣብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐርቡ ንሮይተርስ ሓቢሩ ። ጌታቸው ረዳ፡ ሓይልታት ትግራይ ምስቶም ኣብ ክልል ኦሮምያ ኮይኖም ኣንጻር መንግስቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ዘለዉ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (OLA) ከም ዝተራኸቡ ንቢቢሲ ገሊጹ። ግን ሓቢሮም እንታይ ከምዝገብሩ ኣየነጸረን። ብሰኑይ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ሓርነት ኦሮም (OLA) ኩምሳ ዲሪባ [ጃል ማሮ] ክልቲኦም ሓይልታት [ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን]፡ ብርሕቀት ተቐራሪቦም ስለ ዘለዉ ኣብ ቀረባ መዓልታት ሓደ ግንባር ፈጢሮም ብሓባር ኮይኖም ከም ዝቃለሱ ኣፍሊጡ ነይሩ። ክልቲኦም እዞም ኣንጻር መንግስቲ ዝቃለሱ ዘለዉ ሓይልታት: ካብቲ 'ግብረሽበራውያን እዮም' ኢሉ ዝገልጾም መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኣዲስ ኣበባ ንምምንዛዕ ዓላማ ከም ዘለዎም ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም። ኣዛዚ ሰራዊት ሓርነት ኩምሳ ድሪባ ሓይልታቱ ኣብ ምዕራብ፣ ማእከላይን ደቡብን ኦሮምያ ብዙሓት ከተማታት ከም ዝተቖጻጸሩ ንቢቢሲ ገሊጹ። እቲ ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ፡ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምልሓም፡ ከቢድ ጸጥታውን ሰብኣውን ቅልውላዉ ፈጢሩ ይርከብ። መንግስትን ሰራዊት ትግራይን ተዅሲ ደው ኣቢሎም ናብ መኣዲ ዘተ ክቐርቡ ብማሕበረ ሰብ ዓለም ክግበር ዝጸንሐ ጻውዒት ሰማዒ ኣይረኸበን። ይኹን እምበር ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ንኢትዮጵያ ካብ ዝርዝር ናይተን ኣብ ትሕቲ ናይ ኣፍሪቃ ናይ ዕቤትን ዕድላትን ካብ ዕዳጋታት ኣመሪካ ተጠቃምነት ዝረኽባ ሃገራት ከውጽኣ መደብ ከምዘለዎ ሓቢሩ ነይሩ። እቲ ውሳነ ናይ ሓደ ሚልዮን ሰባት ናይ ስራሕ ኣብ ሓደጋ ከእቱ ስለዝኽእል መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ውሳነ ከይትወስዶ ተማሕጺኑ ነይሩ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59139560"} {"headline":"መሸጣ ኣጽዋር: ኣመሪካ ልዕሊ 2 ቢልየን ዶላር ዝግመታ ወተሃደራውያን ነፈርቲ ንግብጺ ክትሸጠላ'ያ","content":"ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ንግብጺ ናይ ወተሃደራዊ መጓዝያ ነፈርቲ ክሽየጠላ ፈቒዱ፡፡ ግብጺ ካብ ኣመሪካ ክትገዝኦ ዝሓተተቶ 12 ወተሃደራዊ ነፈርቲ ኮይነን ዋገአን ድማ ልዕሊ ክልተ ቢልየን ዶላር ከምዝኾነ ተገሊጹ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ኣመሪካ 300 ሚልዮን ዶላር ዋገኦም ናይ ኣየር መከላኸሊ ራዳራትን ካልኦት ወተሃደራዊ መገልገሊታትን ንግብጺ ሸይጣትላ ኣላ፡፡ እዚ ወተሃደራዊ መሳርሒታት ንግብጺ ክሽየጠላ ብመንግስቲ ኣመሪካ ፍቓድ ዝረኸበ፡ ምምሕዳር ባይደን ብዛዕባ ኣብ ግብጺ ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ነቐፌታ ድሕሪ ምቕራቡ ምዃኑ ግና ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ኣብታ ሃገር ምስ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ብዝተኣሳሰር፡ መንግስቲ ኣመሪካ ንግብጺ ክህቦ መዲብዎ ዝነበረ ናይ 130 ሚልዮን ወተሃደራዊ ሓገዝ ደው ከምዘበሎ ዝዝከር እዩ፡፡ ምኽንያት ናይቲ ውሳነ ድማ ግብጺ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ክተመሓይሽ ዘይምኽኣላ ከምዝኾነ ሰበስልጣን መንግስቲ ኣመሪካ ገሊጾም ነይሮም፡፡ ግብጺ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ካብ ዘለዋ መሓዙት ኣመሪካ ብቐዳምነት እትጥቀስ ኮይና፡ በቢዓመቱ ብሚልዮናት ዝቑጸር ወታሃደራዊ ሓገዝ ካብ ኣመሪካ ትረክብ፡፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ስዒቡ ናብ መሪሕነት ዝመጸ ፕረዚደንት ዓብዱል ፈታሕ ኣልሲሲ፡ እቲ ዝመርሖ መንግስቲ ብጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ክንቀፍ ጸኒሑ እዩ፡፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ክዕረ ክትሓትትን ጸቕጢ ክትገብርን ዝጸንሐት ኣመሪካ ብወገና፡ እትህቦ ወተሃደራዊ ሓገዝ ንግዚኡ ደው ከምዘበለቶ ገሊጻ ነይራ፡፡ ግብጺ ኣብቲ ዞባ ድልዱል ወተሃደራዊ ሓይሊ ካብ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ ኮይና፡ በብእዋኑ ሰራዊታ ንምዝማን ጻዕሪታት ክትገብር ጸኒሓ ኣላ፡፡ ብመንጽር ወተሃደራውን ጸጥታውን ጉዳያት እንትረአ፡ ግብጺ ኣብታ ጎረቤታ ዝኾነት ሊብያ እትድግፎ ሓይሊ ናብ ስልጣን ንምምጻእ እትሕግዝ ዘላ ኮይና ምስ ሱዳን ድማ ዋዒኡ በብእዋኑ ዝለዋወጥ ናይ ዶብ ይግበኣኒ ምስሕሓብ ኣለዋ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ምስታ ብዶብ ዘይትራኸባ ኢትዮጵያ፡ ብምኽንያት እታ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር እትሃንጾ ዘላ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ወጥሪ አትያ ምህላዋ ይፍለጥ፡፡","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60143349"} {"headline":"ኮቪድ-19፡ ክታበት ኣይንወስድን ዝበሉ ልዕሊ 100 ወተሃደራት ኣሜሪካ ካብ ሰራዊት ተሰናቢቶም","content":"ክታበት ኮቪድ ኣይንወስድን ዝበሉ ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ሰራዊት ከምዝሰናበቱ ተሓቢሩ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ክኽተቡ እንከለው ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካልኦት ክታበት ኣየድልየናን እዩ ብምባል ከምዝተቓወሙ ይፍለጥ። ክሳብ ሕጂ ኣስታት 20,000 ዝኾኑ ወተሃደራት ክኽተቡ ንኸይግደዱ ሕቶ ብምቕራብ ተቓዊሞም። ኣብ ስራሕ ዘለው ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ሰራዊት ክሳብ ናይዚ ወርሒ'ዚ መወዳእታ ንክኽተቡ ናይ ግዜ ገደብ ተዋሂቡዎም ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ከኣ 103 ሰባት ካብ ስራሕ ከምእተገለሉ ተፈሊጡ። ጋዜጣ ማሪን ኮርፕ ታይምስ ከምዝጸብጸቦ ኣስታት 95 ሚእታዊት ኣባላት እቲ ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ክኽተቡ እንከለው ክሳብ ሕጂ ኣስታት ሽሕን ሸውዓተን ሰባት ንኸይክተቡ ዘቕረቡዎ ሕቶ ተቐባልነት ረኺቡ ኣሎ። ብተወሳኺ ልዕሊ 3,000 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ብሃይማኖታዊ እምነቶም ንከይክተቡ ሕቶ ኣቕሪቦም ኣለው። ክሳብ ሕጂ ከኣ ልዕሊ 2800 ዝኾኑ ወተሃደራት ጉዳዮም እኳ እንተተራእየ ናይ ብዙሓት ግን ገና ተቐባልነት ኣይረኸበን። ናይ አሜሪካ ዝዓበየ ወተሃደራዊ ጨንፈር ክሳብ ሕጂ 98 ሚእታዊት ዝኾኑ ኣብ ስራሕ ዘለው ወተሃደራት ብዝወሓደ ናይ መጀመርያ ዙር ክታበት ወሲዶም። 96 ሚእታዊት ዝኾኑ ግን ምሉእ ብምሉእ ተኸቲቦም ኣለው። ክታበት ኣይንወስድን ኢና ዝበሉ ክልተ ኣዘዝቲ ሻለቃን ሽዱሽተ ላዕለዎት መኮንናትን ካብቶም ካብ ስራሕ ዝተሰናበቱ እዮም። ልዕሊ 2,700 ኣባላት ሰራዊት ናይ ጽሑፍ መጠንቀቕታ ተዋሂቡዎም። እቶም ኣይንኽተብን ኢና ዝበሉ ከኣ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ካብ ስራሕ ከምዝግለሉ ክገብር እዩ። ካብቶም ኣብ ወፍሪ ዘለው ሰራዊት ትሕቲ ሓደ ሚእታዊት ማለት ኣስታት 3864 ወተሃደራት እቲ ክታበት ንኻልእ ግዜ ክመሓላለፈሎም ዝኾነ ምኽንያትን ሕቶን ከየቕረቡ ኣይንኽተብን ኢና ኢሎም ኣለው። ኣስታት 1.7 ሚእታዊት ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኣብቲ ንክታበት ዝተዋህበ ናይ ግዜ ገደብ ክታበት ኣይወሰዱን። ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣስታት 27 ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኣይንኽተብን ኢና ብምባሎም ካብ ኣገልግሎቶም ከምዝተገለሉ ኣፍሊጡ። እቲ ሰራዊት ኣብዚ ወርሒ ኣስታት 97 ሚእታዊት ኣባላቱ ተኸቲቦም ኣለው። ፕረስ ሴክሬታሪ ፔንታጎን ጆን ኪርቢ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ \"ክሳብ ሕጂ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣባላት ሰራዊት ንነብሶምን ኣባላቶምን ቅኑዕ ነገር ንምግባር ክውስኑ ዕድል ኣለዎም\" ኢሉ። እቲ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ኮንግረስ ዝጸደቐ 'ሃገገራዊ ምክልኻል ፍቓድ ውሳነ' እቶም ክታበት ዘይወስዱ ወታሃደራት ብዘይክብሪ ንከይፋነው ዝኽልክል ኣገላልጻ ወሲኹሉ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/59708807"} {"headline":"ተናሓናሕቲ ሓይልታት ደቡብ ሱዳን ሓበራዊ እዚ ሰራዊት ንምጥያሽ ተሰማሚዖም","content":"ተናሓናሕቲ ሓይልታት ደቡብ ሱዳን ሓበራዊ እዚ ሰራዊት ንምቛም ተሰማሚዖም፡፡ ቀንዲ ኣካል እቲ ኣብ 2018 ዝተገበረ ውዕል ዝኾነ እዚ ስምምዕ፡ ብኣሸማጋልነት ጎረቤት ሃገር ሱዳን ብሰንበት ኣብ ርእሰ ከተማ አታ ሃገር ጁባ እዩ ተሳሊጡ፡፡ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪርን ምክትሉ ሪክ ማቻርን ዝተፈጠረ ወጥሪ ነቲ ኣብ ቀረባ ኣብ መንጎ ሓይልታቶም ዝተፈጠረ ግጭት ምኽንያት ኮይኑ እዩ፡፡ እቲ ትማሊ ዝተገበረ ስምምዕ ኣዘዝቲ ሰራዊት ክልቲኦም ሓይልታት ነቲ ሰራዊት ብሓባር ክመርሑ ዘኽእል እዩ፡፡ በዚ መሰረት ኣዘዝቲ ሰራዊት ፕረዚደንት ሳርቫ ኪር ኣብ 60 ምኢታዊት ወሰንቲ ቦታታት መሪሕነት ሰራዊት፣ ፖሊስን ጸጥታን ደቡብ ሱዳን ዝውከሉ ኮይኖም፡ ብወገን ምክትል ፕረዚደንት ማቻር ዘለዉ ድማ ነቲ ዝተረፈ 40 ምኢታዊት ክመልኡ እዮም፡፡ ክልቲኦም ተነሓናሕቲ ወገናት፡ ሽም ዝርዝር ነቲ ናይ ሓላፍነት ቦታ ዝሕዙ ኣባላቶም ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ከቕርቡ ትጽቢት ይግበረሎም፡፡ ብምቕጻል: ሓበራዊ ሰራዊት ኣመሪቖም ከዋፍሩ ምዃኖም ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ካብ ክልተ ወርሒ ኣብዘይመልእ ግዘ ንምፍጻም ከምዝተሰማምዑ ተሓቢሩ፡፡ ንጉጅለ ማቻር ዝወከለ ሜጀር ጀነራል ማርቲን ኣቡቻ: ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ሰላም ከምዝናፈቖ ዝገለጸ ኮይኑ ‘‘ንቕድሚት ክንስጉም ተሰማሚዕና ኣለና’’ ኢሉ፡፡ ዞባዊ ጉጅለ ኢጋድ ብወገኑ ነቲ በቶም ወገናት ዝተፈጸመ ስምምዕ ዓብዪ ምዕባለ ክብል ገሊጽዎ፡፡ ኣብ ቀረባ መዓልቲታት ኣብ መንጎ ብፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ዝምራሕ ሰራዊትን ሓይልታት ምክትል ፕረዚደንት ሪክ ማቻርን ዝተወለዐ ጎንጺ ነቲ ዘይደልደለ ውዕል ሰላም እታ ሃገርን ኣብ ቀጻሊ ዓመት ክካየድ ዝተሓሰበ መረጻን ከየተዓናቕፎ ተሰጊኡ ነይሩ፡፡","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60985712"} {"headline":"ቅልውላዉ ሱዳን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ዝኾነኖ ወተሃደራዊ ዕልዋ መሰጋገሪ መንግስቲ","content":"ባንኪ ዓለም ንሱዳን ክህቦ መዲብዎ ዝነበረ ደገፍ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ ከምዘቋረጾ ኣፍሊጡ። ሰራዊት ሱዳን ንመሰጋገሪ መንግስቲ ብምፍራስ ንቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝርከቦም ሲቪላውያን መራሕቲ ኣብ ቀይዲ ብምእታዉ፡ ኣብታ ሃገር ሰፊሕ ተቓውሞታትን ኩነኔ ማሕበረሰብ ዓለምን ኣስዒቡ'ሎ። ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ነቲ \"ዘይቅዋማዊ\" ምምንዛዕ ስልጣን ብምቅዋም፡ ሱዳን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክሳብ እትምለስ ካብ ኩሉ ንጥፈታት እቲ ውድብ ከምትእገድ ኣፍሊጡ'ሎ። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብወገና፡ ነቲ ክትህቦ ዝሓሰበት 700 ሚልዮን ዶላር ኣደስኪላቶ ከምዘላ ገሊጻ። መራሕቲ ሰራዊትን ሲቪላውያን ፖለቲከኛታትን ብመሰረት ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝበጽሕዎ ስምምዕ፡ እታ ሃገር ናብ ደሞክራስያዊ ስርዓት ክሳብ ትሰጋገር፡ ናይ ሓባር መሰጋገሪ መንግስቲ ምምስራቶም ይዝከር። እዚ ብሕብረት ኣፍሪቃን ዓለማዊ ባንክን ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ፡ መራሒ ናይቲ ዕልዋ ዝኾነ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ሌ\/ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክምለስ ዓቢ ጸቕጢ ከምዝፈጥረሉ ይግመት። ጀነራል ኣልቡርሃን፡ እታ ሃገር ናብ ኲናት ሓድሕድ ከይተምርሕ ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰደ'ዩ ዝምጉት። ሱዳን ናብ ደሞክራስያዊ ስርዓት ክትሰጋገር ምዃናን፡ እቲ ኣብ 2023 ክግበር ዝተመደበ ሃገራዊ ምርጫ ከምዝካየድን ድማ ቃል ኣትዩ'ሎ። እቲ ጀነራል፡ ነቲ ላዕለዋይ ኣካል ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝኾነ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ብኣቦመንበርነት ክመርሕ ዝጸንሐ'ዩ። እንተኾነ ግን እቲ ስጉምቲ ሰፊሕ ህዝባዊን ዓለማውን ተቓውሞ ገጢምዎ'ሎ። ፕረዚደንት ዓለማዊ ባንክ፡ ዴቪድ ማልፓስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ \"በቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሱዳን ዝተራእየ ምዕባለታት ኣዝየ ተሻቒለ ኣለኹ። ኣብ ማሕበራዊን ቁጠባውን ምብርባርን ልምዓትን ክህልዎ ዝኽእል ሳዕቤን'ውን ኣፍሪሑኒ ኣሎ\" ኢሉ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ ሱዳን ድሕሪ 30 ዓመት፡ ንዝነበራ ዕዳ ድሕሪ ምድቃሳ ኣስታት 2 ቢልዮን ዶላር ካብቲ ባንክ ክትረክብ ኪኢላ ነይራ። ፕረዚደንት ናይቲ ባንክ'ውን ብኣካል ናብታ ሃገር ብምብጻሕ ካብቲ ኣትያቶ ዝነበረት ከቢድ ቅልውላው ንምውጻእ ገስጋስ ትገብር ምንባራ መስኪሩ ነይሩ። ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ማሕበር ሃገራት ዓረብን ብሪጣንያን ዝርከብዎም ወገናት'ውን ነቲ ዕልዋ ብምኹናን እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ናብ ቦትኡ ክምለስ ይጽውዑ ኣለዉ። እቲ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዝቐነየ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ተፈቲሑ ናብ ገዝኡ ከምዝኸደ መራሒ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ኣልቡርሃን ሓቢሩ። ንሱ፡ ንድሕነት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምስጋእ ኣብ ገዝኡ ሒዝዎ ከምዝጸንሐ'ዩ ዝዛረብ። ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ዋላ'ኳ ምፍታሕ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እንተንኣደ፡ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክሳብ ዝምለስ እታ ሃገር ካብቲ ውድብ ተኣጊዳ ከምእትጸንሕ'ዩ ገሊጹ ዘሎ። እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ኣንጻር እቲ ዕልዋ ዝተላዕለ ናዕቢ ንሳልሳይ መዓልቱ ቀጺሉ ውዒሉ'ሎ። ሓይልታት ጸጥታ ብዝተኮስዎ ጥይት ዛጊት ብውሕዱ 10 ከምዝተቐትሉን ብዙሓት ካልኦት ከምዝቖሰሉን ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣባላት ጸጥታ ንወደብቲ እቲ ተቓውሞ ንምእራይ ገዛ ገዛ እንዳኣተዉ ይፍትሹ ምህላዎምን ሓያሎ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉን ይግለጽ። ንሓካይምን ሰራሕተኛታት ነዳዲን ዝውክሉ ማሕበራት ዕዮ፡ ከምኡ'ውን ኣባላት ማሕበር ባንከ ሱዳን ነቲ ዕልዋ ንምቅዋም ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ክጽንበሩ ምዃኖም ኣፍሊጦም ኣለዉ። \"ኣንጻር'ቲ ሰራዊት ዝወሰዶ ተግባርን ዝኾነ ዓይነት ምልካውነትን ጸኒዕና ደው ክንብል ኢና\" ክብል ኣፈኛ ናይቲ ማሕበር ዓብዱልራሽድ ለሊፋ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ኣብ 2019 ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣል-በሽር በቲ ብሰራዊት ዝተደገፈ ህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ፡ ሲቪላውያን መራሕትን ኣዘዝቲ ናይቲ ሰራዊትን ንሰለስተ ዓመት ዝጸንሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርቱ ተሰማሚዖም ነይሮም። እንተኾነ ግን ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት እናሓርፈፈ ዝመጸ ዝምድና ቅድሚ ሓደ ወርሒ ናብ ፈተነ ዕልዋ ኣምርሒ ምንባሩ ይዝከር። እዚ ሓድሽ ምዕባለታት ድማ ነቲ ስምምዕ መሰጋገሪ እዋን ይኹን ዝድለ ዘሎ ምምስራት ደሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ ይርከብ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59070173"} {"headline":"ሱዳን: ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ‘ሓደገኛ’ ፖለቲካዊ ቅልውላው እታ ሃገር ንምህዳእ ኮሚቴ ኣጣይሹ","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላዉ ፍታሕ ንምንዳይ ዘኽእል \"ኮሚቴ እዋን ቅልውላው\" ከምዘጣየሸ ተገሊፁ። እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ቅድሚ ክልተ ዓመታት ፕረዚደንት ነበር ዑመር ሓሰን ኣል-በሽር ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዪ ኣብታ ሃገር ዝተራእየ \"ኣዝዩ ሓደገኛ\" ፖለቲካዊ ቅልውላው ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነቲ ጉጅለ ከምዘጣየሾ ኣገልግሎት ዜና ሱና ፀብፂቡ። ኣብቲ ኮሚቴ ወከልቲ ተቓወምቲ ውድባት'ውን ከምዝተኻተቱ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ'ሎ። ዓብደላ ሓምዶክ፡ እታ ሃገር ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምስግጋር ንዝግበር ፃዕሪ ናብ ድሕሪት ዝመልስ ስግኣት ፈጢሩ ዝበሎ፡ ንሰሙናት ዝቐፀለ ፖለቲካዊ ወጥሪ ንምህዳእ፡ ኩሉ ነቲ ፀገም ካብ ዘጋድድ ስጉምትታት ተዓቂቡ ዘተ ክካየድ ፀዊዑ። ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ከቢድ ፅልዋ ብዘለዎ ሰራዊት እታ ሃገር ዝድገፍን ናይቲ ስግግር መንግስቲ ተወጊዱ እቲ ሰራዊት ነታ ሃገር ክመርሕን ዝጠልቡ ሰልፍታት ድሕሪ ምክያዶም'ዩ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ነቲ ስጉምቲ ወሲዱ ዘሎ። ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዝጀመረ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ደገፍቲ እቲ ሰራዊት ዝኾኑ ሱዳናውያን ኣብ ከባቢ ቤት-ፅሕፈት ፕረዚደንት ብምእካብ ሰራዊት እታ ሃገር ስልጣን ክሕዝ ፀዊዖም ነይሮም። ዑማር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ፡ ሱዳን ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ብልፍንቲ ሲቪልን ወተሃደራትን ብዝተመስረተ ሉኣላዊ ባይቶ ዝምራሕ መሰጋገሪ መንግስቲ እያ ትምራሕ ዘላ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ከይዲ ስግግር እታ ሃገር ንምዕንቃፍ ይፍትኑ ንዝበሎም ኣካላት ኣጠንቂቑ ኔሩ። ነዚ መጠንቀቕታ ዝሃበ፡ ብመሰጋገሪ ምምሕዳር እታ ሃገር ኣብ ዝምራሕ ሉኣላዊ ባይቶ ኣብ ሞንጎ ዘለዉ ሲቪልን ወተሃደራውን መራሕቲ ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ይዓርግ ኣብ ዘለሉ እዋን እዩ። እንተኾነ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ሉኣላዊ ባይቶ፡ እታ ሃገር ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምስጋር ንእትገብሮ ፃዕሪ ንምዕንቃፍ ሓያል ምንቅስቓስ ዝገብሩ ፀለውትን ተሰማዕትን ኣባላት እቲ ሰራዊት ከምዘለዉ ይግለፅ። ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ንቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ንምዕላው ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ድሕሪ ምፍሻሉ፡ ኣብ ኣባላት እቲ ባይቶ ከቢድ ወጥሪ ዓሲሉ ኣሎ። ንነዊሕ ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሐ ጀነራል ኣልበሽር ካብ መዝነቱ ምስተኣለየ፡ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት እታ ሃገር፣ ሲቪላትን ተቓወምትን ምምቕራሕ ስልጣን ምክያዱ ይዝከር። በዚ ድማ ዓብደላ ሓምዶክ ነቲ ሲቪል ብምውካል ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን እንከሎ፡ ብወገን ሰራዊት እታ ሃገር ድማ፡ ሌ\/ጀነራል ዓብዱል ፈታሕ ኣልቡርሃን ኣቦወንበር ሉኣላዊ ቤትምኽሪ እታ ሃገር ኮይኑ። እንተኾነ፡ ኣብ ሞንጎ ናይ ስግግር ምምሕዳር እታ ሃገር ዝመርሑን ሰብመዚ ሲቪልን ዘሎ ርክብ ርጉእ ኣይኮነን። ካብ ቀረባ ግዘ ንደሓር ኩነታት ጸጥታ እታ ሃገር እናደኸመ ይመፅእ ኣሎ፤ ነቐፍቲ ድማ ወተሃደራዊ መራሕቲ ስልጣን ዘረክብሉ ግዘ ንምትእጉጓል'ዩ ይብሉ። ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሉኣላዊ ባይቶ ሱዳን፡ ኣብቲ ዝመፅእ ወርሒ ሕዳር ስልጣኑ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ከረክብ ገደብ ግዘ ተቐሚጥሉ ምህላዉ ይፍለጥ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58973777"} {"headline":"ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ምክልኻልን ፋኖን ዘጋጠመ ጎንፂ ብዕርቂ ከምዝተፈትሐ ተገሊፁ","content":"ትማሊ ሰንበት ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ፣ ኣብ ከተማ ወልድያን ከባቢኡን ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዕጡቓት ፋኖን ዝተኸሰተ ጎንፂ፡ ብዕርቂ ተፈቲሑ ተባሂሉ። ሓላፊ ኮምዩኒኬሽን እቲ ዞባ ኣይተ ሃብተማርያም ኣሰፋ፡ ትማሊ ሰንበት ምሸት ኣብ ወልድያን ብዝተኸሰተ ጎንፂ ሂወት ሓደ ሰላማዊ ሰብን ሓደ ዕጡቕን ከምዝጠፍአ ንቢቢሲ ገሊፁ። ሓላፊ ፀጥታ እቲ ዞባ ኮለኔል ሃይለማርያም እምባየ ብወገኑ፡ እቲ ጎንፂ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ዕጡቓት ፋኖን \" ኣብ ኬላ ተፈተሹ፤ ኣይንፍተሽን\" ብዝብል ውጥጥ ከምዝነቐለ ኣረዲኡ። ስሙ ክግለፅ ዘይደለየ ነባሪ እታ ከተማ ድማ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት ከባቢ ሰዓት 1፡00 [07፡00] ናይ ምሸት ተኵሲ ከቢድ ብረት ከምዝነበረ ብምግላፅ፡ ሓደ ሰላማዊ ሰብ ህይወቱ ከምዝሓለፈን ሎሚመዓልቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ከምዝተፈፀመን ተዛሪቡ። ሓላፊ ፀጥታ እቲ ዞባ ኮለኔል ሃይለማርያም፡ ኣብቲ እዋን ልውውጥ ተኲሲ ከምዝነበረ ብምርግጋፅ፡ \"መበገሲኡ ብፌስቡክ ብዝላባዕ 'ሓደ ኣመራርሓ ተኣሲሩና' ብዝብል ሓበሬታ ካብ ካልእ ከባቢ ዝመፅኡ ዕጡቓት ተኵሲ ብምኽፋቶም\" ዝተፈጠረ ምዃኑ ገሊፁ። እቲ ጎንፂ ብዙሕ ከይፀንሐ ምግታእ ከምዝተኽኣለ ዝተዛረበ እቲ ሓላፊ፡ በቲ ዝነበረ ተኵሲ ዝተጎድኡ ሰባት ከምዝነበሩ ኣረጋጊፁ። ብዛዕባ መጠን እቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ግና ኣፃርዩ ከምዝዛረብ ተዛሪቡ። ሓላፊ ኮምዩኒኬሽን እቲ ዞባ ኣይተ ሃብተማርያም ኣሰፋ፡ ኣብቲ ዞባ ኣብ ጎብየን ሮቢትን ልውውጥ ተኲሱ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፡ \"ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ መራሒ ፋኖ ተኣሲሩ ብዝብል ኣብኡ ዝነበሩ ፋኖ ከምዝመፅኡን፡ ሰራዊት ምክልኻል ንምርግጋዕ ይፍትን ነይሩ\" ኢሉ። ሎሚመዓልቲ ከተማታት ወልድያ፣ ሮቢትን ጎብየን ሰላም ከምዝኾናን ኣብቲ ከባቢ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ከምዝነበረን ቢቢሲ ዘዘራረቦ ነባሪ እታ ከተማ ሓቢሩ። ሓላፊ ኮምዩኒኬሽን ኣይተ ሃብተማርያም ድማ፡ \"ፋኖ ደጀን ሰራዊት ምክልኻል'ዩ። ሰራዊት ምክልኻል'ውን ንፋኖ ብምግብን ካልኦትን ብምቕራብ ሓገዝ ዝገብር'ዩ። እቲ ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ'ውን ብልዝብ ተፈቲሑ'ዩ\" ኢሉ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/61071928"} {"headline":"ሰሜን ኮርያ 'ዘይብዳህ ሰራዊት' ክትሃንጽ ምዃና ኪም ጆንግ-ኡን ሓቢሩ","content":"መራሒ ሰሜን ኮርያ፡ ኪም ጆንግ-ኡን ሃገሩ \"ዘይብዳህ ሰራዊት\" ክትሃንጽ ምዃና ቃል ኣትዩ ክብል መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ጸብጺቡ። ኪም ጆንግ-ኡን ነቲ መግለጺ ዝሃበ ኣብቲ ሳሕቲ ዝርአ ወተሃደራዊ ምርኢት ኮይኑ፡ ነቲ ካብ ኣመሪካ ዝነቅል ተጻብኦ ንምክልኻል እምበር ኲናት ንምጅማር ዝዓለመ ከምዘይኮነ ጠቒሱ። ሰሜን ኮርያ ኣብ ቀረባ እዋን ፈተነ 'ሃይፐርሶኒክን' ጸረ ካብ ነፈርቲ ዝትኮስ ሚሳይልን ምዃኑ ዝገለጸቶ ሚሳይል ኣካዪዳ እያ። ደቡብ ኮርያ ብወገና ካብ ሳብማሪን ናይ ዝትኮስ ሚሳይል ፈተነ ኣካዪዳ ኣላ። ኪም ጆንግ ኡን ኣብቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ፒዮንግያንግ ዝተኻየደ ምርኢት 'ርእሰ ምክልኻል 2021' ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ ብዛዕባ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝህነጽ ዘሎ ሰራዊት ክዛረብ እንከሎ፡ ሰሜን ኮርያ ምስ ጎረቤታ ደቡብ ኮርያ ክትዋጋእ ከም ዘይትደሊ ተዛሪቡ። ብብዙሕ ታንክታት ዝርከብዎ ወተሃደራዊ ኣጽዋራት ተኸቢቡ መደረ ዘስምዐ እቲ መራሒ፡ ኣመሪካ ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ወጥሪ ንምስዋር ትጽዕር ኣላ ክብል ከሲሱ። ኣሜሪካ ንሰሜን ኮርያ ተጻባኢት ኣይኮነትን ኢልካ ንምእማን ዘኽእል ባይታ ከም ዘየሎ'ውን ሓቢሩ። ምምሕዳር ጆ ባይደን፡ ሃገሩ ምስ ሰሜን ኮርያ ንምዝርራብ ፍቓደኛ ምዃና ብተደጋጋሚ እኳ እንተገለጸ፤ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ክዘልቕ ፒዮንግያን ግነቲ ናይ ኒኩለራዊ ኣጽዋራት መደባታ ክተቋርጽ ክጠልብ ጸኒሑ እዩ። ሰሜን ኮርያ ነዚ ዛጊት ኣይተቐበለቶን።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58894636"} {"headline":"ሶርያ: መራሒ ዳዕሽ ፍሉይ ኣሃዱ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ዘካየዶ ስርሒት ተቐቲሉ","content":"መራሒ ጂሃዳዊ ጉጅለ ዳዕሽ (ኣይ-ኤስ) ፍሉይ ኣሃዱታት ኣመሪካ ኣብ ዘካየድዎ ስርሒት ኣብ ሶርያ ከም ዝተቐትለ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣፍሊጡ። ሞት ኣቡ ኢብራሂም ኣል-ሃሺሚ ኣል-ቁራዪሺ \"ንዓለም ገጢሙዋ ዝነበረ ቀንዲ ሽበራዊ ስግኣት ዘወገደ'ዩ\" ክብል ባይደን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ተዛሪቡ። ኣብ ከበባ ምስ ኣተወ፡ ዝነበሮ ቦምባ ብምፍንጃር ገዛእ-ርእሱን ስድራቤቱን ከም ዝቐተለ'ውን እቲ ፕረዚደንት ጠቒሱ። ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተኻየደሉ ቦታ ፈለማ ዝበጽሑ ሶርያውያን ሰራሕተኛታት ሂወት ኣድሕን፡ 13 ሬሳታት ከም ዝረኸቡ ሓቢሮም። እቲ መጥቃዕቲ ኣብታ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ተቓወምቲ እትርከብ፡ ኣብ ሰሜናዊ ኣውራጃ ኢድሊፕ ዘላ ከተማ ኣትመህ ኣብ ዝርከብ ብዓል ክልተ ደርቢ ህንጻ'ዩ ተኻዪዱ። እቲ ዞባ ኣንጻር ጉጅለ ዳዕሸ ዝኾኑ ሓያሎ ጂሃዳውያን ጉጅለታት ዝርከቡሉ ምዃኑ ይፍለጥ። ኣንጻር ብፕረዚደንት ባሻር ኣል-ኣሳድ ዝምራሕ መንግስቲ ዝቃለሱ ብቱርኪ ዝድገፉ ተቓወምቲ'ውን ኣብቲ ከባቢ ከም ዘለዉ ይግለጽ። ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣመሪካ፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ነቲ ዓብደላ ቋርዳሽን ሓጂ ዓብደላን ብዝብል'ውን ዝፍለጥ ቁራዪሺ ንምሓዝ ወይ ንምቕታል ዘለዎም ወጥን ስርሒት ንፕረዚደንት ባይደን ኣቕሪቦምሉ ነይሮም። ኣብቲ እዋን ዝተረኽበ ስለያዊ ሓበሬታ፡ ቁራዪሺ ኣብ ካልኣይ ደርቢ ናይቲ ህንጻ ምስ ስድራቤቱ ይነብር ከም ዝነበረ ኣረጋጊጹ ነይሩ። ካብቲ ህንጻ ይወጽእ ከምዘይነበረን፡ ንጥፈታት ናይቲ ዝመርሖ ጉጅለ ኣብ ምክያድ ንትእዛዛቱ ብመገዲ ተለኣኣኽቱ የሳልጦ ምንባሩ'ውን ተፈሊጡ። ቁራዪሺ፡ ነቲ ኣብ ሶርያን ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለምን ዘሎ መርበባትን ጨናፍርን ናይቲ ጉጅለ ይመርሕ ምንባሩ ይግለጽ። ሓደ ምስቲ ጉጅለ ርክብ ነይሩዎ ወይ ህላወ ቁራዪሺ ኣብቲ ህንጻ ይፈልጥ ነይሩ ዝተባህለ ስድራቤት'ውን ኣብ ታሕተዋይ ደርቢ ነይሩ ተባሂሉ። ፕረዚደንት ባይደን፡ ነቲ ዝቐረበሉ ሓበሬታ ድሕሪ ምግምጋም፡ ብሰሉስ እቲ ስርሒት ክካየድ ኣዚዙ። ናብ ሓሙስ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኸኣ እቲ ስርሒት ብቐጥታ እናተኻየደ እንከሎ ብማንዛ ተኸታቲልዎ። ምጭታት ካብቲ ቦታ ከምዝሓበርዎ፡ ብኣየር ዘጥቅዑ ፍሉያት ኣሃዱታት ኣመሪካ፡ ካብ ባይታ ተሪር ተቓውሞ ገጢምዎም ነይሩ። ኣብ መካይን ዝተጻዕነ ጸረ-ነፈርቲ ኣንጻሮም ከም ዝተተኮሰ እቶም ጸብጻባት ገሊጾም። እተን ኣመሪካውያን ሓይልታት ዝሓዛ ሄሊፖፕተራት ካብቲ ቦታ ምስ ኣልገሳ'ውን፡ ንኣስታት ክልተ ሰዓታት ተዂሲ ከም ዝቐጸለ ጠቒሶም። ኣብ ታሕተዋይ ደርቢ ዝነበሩ፡ ሓንቲ ጓል-ኣንስተይቲ፡ ሓደ ወዲ ተባዕታይን፡ ሓያሎ ቆልዑን ኣብ ፈለማ እቲ መጥቃዕቲ ናብ ውሑስ ቦታ ከምዝተወስዱ ሰበስልጣን ኣመሪካ ተዛሪቦም። እንተኾነ ግን፡ \"ቁራዪሺ ንገዛእ-ርእሱ፡ ከምኡ'ውን ኣንስትን ቆልዑን ዝርከብዎም ኣባላት ስድራቤቱን ዝለከመ ቦምባ ፈንጂሩ\" ክብል ሓደ ብዓልስልጣን ከምዝተዛረበ ሮይተርስ ጠቒሱ። \"ዋላ'ኳ ጌና ንውጽኢት ናይዚ ስርሒት'ዚ ንግምግሞ እንተለና፡ ከምቲ ኣብ 2019 ንኣል-ባግዳዲ [መራሒ ዳዕሽ ነበር] ንምቕንጻል ኣብ ዝተኻየደ ስርሒት ዘጋጠመ ናይ ፈራሓት ሽበራዊ ስልቲ [ርእሰተ-ቅትለት] ዝበረ'ዩ ዝመስል\" ኢሉ። ቅድሚ ቁራዪሺ መራሒ ናይቲ ጉጅለ ዝነበረ ኣቡባከር ኣል-ባግዳዲ፡ ኣባላት ፍሉይ ስርሒታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊኡ መጥቃዕቲ ኣብ ዘካየድሉ እዋን፡ ተዓጢቕዎ ዝነበረ ቦንባ ብምፍንጃር ንርእሱን ሰለስተ ቆልዑን ምቕታሉ ይዝከር። ንሱ'ውን፡ ካብቲ ቁራዪሺ ዝተቐትለሉ 16 ኪሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ'ዩ ተቐቲሉ። ሰብመዚ ኣመሪካ ከምዝበልዎ፡ ሓደ ካብ ሰዓብቲ ቁራዪሺ፡ ምስ ኣባላት ስድራቤቱ ኣብ ቀዳማይ ደርቢ ዓሪዱ ጸኒሕዎም። ንሱን ሰበይቱን፡ ምስ ወተሃደራት ኣመሪካ ድሕሪ ምውግኦም ድማ ተቐቲሎም። ብድሕሪ'ዚ፡ ሓያሎ ቆልዑ ካብቲ ህንጻ ከምዝወጹን ናብ ውሑስ ቦታ ከምዝተወስዱን እቶም ስሞም ዘይተገልጹ ሓለፍቲ ጠቒሶም። ክልተ ካብቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩን ኣብ ልዕሊ'ተን ናይ ኣመሪካ ወተሃደራውያን ሄሊኮፕተራት ተዂሲ ዝኸፈቱን ዕጡቓት'ውን ተቐቲሎም ኣለዉ። ኩሎም ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተሳተፉ ኣባላት ኣሃዱ ፍሉይ ስርሒታት ኣመሪካ፡ ብሰላም ናብ ቦትኦም ከምዝተመልሱ ፕረዚደንት ባይደን ገሊጹ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60252605"} {"headline":"ኵናት ዩክረይን: ሩስያ ንዩክሬናዊት ከተማ ማርዩፖል ምሉእ ብምሉእ ከምዝተቖጻጸረት ገሊጻ","content":"ሩስያ ንዩክሬናዊት ወደባዊት ከተማ ማርዩፖል ንምቁጽጻር ንኣዋርሕ ድሕሪ ዘካየደቶ ጻዕሪ ምሉእ ብምሉእ ከምዝሓዘታ ኣፍሊጣ። ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ፋብሪካ ሓጺን ኣዞቭስታል ዓሪዶም ዝጸንሑ ወተሃደራት ዩክረይን ኢዶም ከምዝሃቡ ሰብ መዚ ሞስኮ ሓቢሮም። እቶም ወተሃደራት ንኣዋርሕ ዝኣክል ነቲ ንከተማ ማርዩፖል ንምቁጽጻር ዝግስግስ ሓይሊ ሩስያ ደው ኣቢሎምዎ ጸኒሖም። ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ 531 ወተሃደራት ዩክረይን ካብቲ ስፍራ ድሕሪ ምውጽኦም፡ ሕጂ እታ ከተማን እቲ ፋብሪካ ሓጺንን “ምሉእ ብምሉእ ሓራ ወጺኡ ኣሎ” ኢሉ። እቲ መግለጺ ወሲኹ “እቶም ወተሃደራት ተሓቢኦምሉ ዝነበሩ ናይ ትሕቲ ባይታ መዕቆቢታት ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽር ሓይልታት ሩስያ ኣትዩ ኣሎ” ኢሉ። ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ብወገኑ እቶም ነቲ ቦታ ክከላኸሉ ዝጸንሑ ወተሃደራት ክወጽኡ ፍቓድ ተዋሂብዎም እዩ ኢሉ። ንሱ ብዓርቢ ንቴለቪዥን ዩክረይን ኣብ ዝሃቦ ቃል “ሎሚ እቶም ኣወዳት ክወጽኡን ህይወቶም ከድሕኑን ካብ ወተሃደራዊ እዚ ንጹር መልእኽቲ ተቐቢሎም ኣለው” ኢሉ። ፋብሪካ ሓጺን ኣዞቭስታል ንሰሙናት ኣብ ምሉእ ከበባ እዩ ጸኒሑ። ሓይልታት ሩስያ ዝኾነ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይኣቱ ብምኽልካል ካብ ኣየር ደብዳብ ከካይዱ ድሕሪ ብምጽንሖም እቶም ዩክሬናውያን ብረቶም ከውርዱ ተገዲዶም። ብዙሓት ካብ’ቶም ኣብ ውሽጢ ተዓጊቶም ዝነበሩ፡ ደቂ ኣንስትዮ ቆልዑን ኣረጋውያንን ዝርከብዎም ሲቪላውያን እዮም ነይሮም። ኣብ ፈለማ ናይ’ዚ ወርሒ ብሕቡራት ሃገራትን ቀይሕ መስቀልን ዝተገብረ ስርሒት ብምልኦም ወጺኦም እዮም። እቶም ወተሃደራት ግና ኢዶም ክህቡ ፍቓደኛታት ብዘይምንባሮም ሩስያ ነታ ስትራተጅያዊት ወደባዊት ከተማ ምሉእ ብምሉእ ካብ ምቁጽጻር ከልኪልዋ እዩ ጸኒሑ። ኣብያ ናይቶም ወተሃደራት፡ ብብዙሓት ዩክሬናውያን ከም መርኣያ ተቓውሞ ዩክረይን ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61534413"} {"headline":"ምብዛሕ ዕልዋታት ኣብ ኣፍሪቃ ዲሞክራሲ ኣብቂዑ ማለት ኣይኮኑን","content":"ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ድሕሪ ዘጋጠሙ ወተሃደራዊ ዕልዋታት መንግስቲ፡ ገለ ሰባት ኣብዚ ኣህጉር ምናልባት ዲሞክራሲ ቅኑዕ ኣማራጺ ምሕደራ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ ኢሎም። ኣፍሪቃ፡ ናብቲ ኣብ 1980ታት ዝነበረ ግዜ ክመልሳ ብዝኽእል ወተሃደራዊ ምሕደራ ተጸልያ ኣላ። ቡርኪናፋሶ፣ ጫድ፣ ጊኒ፣ ሱዳንን ማሊን ስቪላዊ ምምሕዳር መንግስቲ ብሓይሊ ኣውሪደን ወተሃደራዊ ጁንታ ተኪአን እየን። ወዮ ድኣ ኣብ ማእከላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪቃን ሕጂ ሕጂ ድማ ኣብ ጒኒ-ቢሳውን ተፈቲኖም ዝፈሸሉ ካልኦት ዕልዋታት መንግስቲ ኮይኖም እምበር እቲ ተርእዮስ ካብዚ ንላዕሊ ዘተሓሳስብ ክኸውን ይኽእል ነይሩ። እዚ ጉዳይ እናወሰኸ ብዝኸደ ቑጽሪ ግን፡ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዲሞክራሲ ኣይሰርሕን ዘሎ፣ ፈጺሙ'ውን ክሰርሕ ኣይኽእልን ዝብል ድምጺ ኣመና ይውስኽ ኣሎ። ይኹን'ምበር ኣብ ትካል ምምኻር ስግኣት ኣፍሪቃ [ARC] ተንታኒ መጽናዕታት ሌናርዶ ቡሉ-ዚጌ ከምኡ'ውን ፕሮፌሰር ዲሞክራሲ ዩኒቨርሲቲ በርሚንግሃም ኒክ ቺዝማን ሕጂ'ውን ኣፍሪቃ ብዲሞክራሲ ጥራይ እያ ክትስጉም ትኽእል ይብሉ። እቲ ዝገርም፡ እቲ ስቪላዊ ምሕደራ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ምስ ተኣልየ ገሊኡ ህዝቢ ንውድቀት እቶም ዝተመርጹ መራሕቱ ብታሕጓስ ናብ ጎደናታት ወጺኡ ዝጽምብሎ ምዃኑ እዩ። እንተኾነ እቲ ሕጂ ዝርኣይ ዘሎ ዋሕዚ ዕልዋታት መንግስቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዲሞክራሲ ይመውት እዩ ዘሎ ኢልካ ምድምዳም ጌጋ'ዩ ዝኸውን። ኣብተን ዕልዋ ዝተኻየደለን ሃገራት፡ መብዛሕትኦም ዜጋታት ምልካዊ ስርዓት ብምንጻግ ኣብ ዲሞክራሲ ክነብሩ እዮም ዝደልዩ። ብተወሳኺ ዋላ'ውን እቲ ኣፈጻጽማ ፖለቲካ ብዙሕነት ሰልፍታት፡ ተስፋ ምቑራጽን ሕርቃንን ክዓቢ እንተገበረ፡ ብማእከላይ ግን ዲሞክራሲ ልዑል ቑጠባዊ ዕብየትን ዝሓሸ ህዝባዊ ኣገልግሎትን ክህሉ ከም ዘኽእል ዩኒቨርሲቲ ኮርኔል ዘካየዶ መጽናዕቲ ይሕብር። ብኣንጻሩ፡ ወተሃደራዊ ስርዓታት ቑጠባዊ ለውጢ ከየምጽኡ ሰብኣዊ መሰላት ብምግሃስ ነዊሕ ታሪኽ ኣለዎም። ኣፍሪቃ ካብ ዲሞክራሲ ክተትርፍ ትኽእል እያ፤ እንታይ ድኣ፡ እቶም ብዲሞክራሲያዊ መገዲ ተመሪጾም ስልጣን ዝሓዙ ሰባት ካብ ፍቓድ ህዝቢ ወጻእ ኣብ ስልጣን ንክጸንሑ ኢ-ዲሞክራሲያዊ ስትራቴጂታት ክጥቀመ እንከለው እዩ እቲ ጸገም ዝመጽእ ዘሎ። እዚ ኣገዳሲ ነጥቢ እዩ። ኣብ ከም ጊኒን ማሊን ዝበላ ሃገራት እቶም መራሕቲ ትኽክለኛ ዲሞክራሲ ስለ ዝምስርቱ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ዘለዎም ተቐባልነት ኣይስእኑን። እንተኾነ፡ ምስ ግሃዳዊ ኩነታት ኣፍሪቃ ዘይጠዓዓም ስርዓት መንግስትነት ስለ ዝኽተሉ እቲ ዝጀመርዎ ዲሞክራሲ ዕውት ኣይኸውንን። እንታይ ድኣ፡ ብምኽንያት እቲ እናዓበየ ዝመጽእ ዘይምርግጋጽ [ቡርኪናፋሶን ማሊን ተደጋጋሚ ጅሃዳዊ መጥቃዕቲ የጋጥመን'ዩ] እቶም ፕረዝደንታት ነቲ ናይ ባዕሎም ዲሞክራሲ እምነት ክስእንሉ ይጅምሩ። እዚ፡ እቶም ኣብ ቀረባ ዝተራእዩ ዕልዋታት መንግስቲ ስለ ምንታይ ህዝቢ ጸምቢሉዎም ዝብል ብምርኣይ ብቐሊሉ ምርዳእ ይክኣል። ኣብ ጊኒ ፕረዝደንት ነበር ኣልፋ ኮን ብ2020 ንሳልሳይ ግዜ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዘኽእሎ ሕገ መንግስታዊ ምምሕያሽ ገይሩ። እቲ ብተኸታታሊ ዝስዓረሉ ሓፈሻዊ ምርጫ ኮነ ሕገ መንግስታዊ ድምጺ ህዝበ ውሳነ ናጻን ፍትሓውን ስለ ዘይነበረ፡ እዚ ስትራቴጂ ማይ ዝዓቁር ኣይነበረን። ክሳብ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝፍጸመሉ ኣብ ዝነበሩ ኣዋርሕ ኸኣ ምልካውነቱ እናሓየለ ከይዱ። ብዙሓት ክኣስር፣ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ተቓወምትን ንመንግስቲ ዝቃወሙ ተሓለቕትን መጥቃዕቲ ክፍጸም ክገብር ጀሚሩ። ብተመሳሳሊ ፕረዝደንት ማሊ ኢብራሂም ቦቡኬር ኬታ ብ2020 ዝተኻየደ መረጻ ሓገግቲ ኣካላት ብምትላል ይኽሰስ። እቶም እናወሰኹ ዝመጽኡ ጸገማት ብልሽውናን ውሕስነት ምስኣንን'ውን ሕጋዊ ተቐባልነት ክስእን ገይሮምዎ። ኣብ ክልቲአን ሃገራት፡ እቲ ስቪላዊ ምምሕዳር ካብ ዲሞክራሲ እናርሓቐ፣ ዜጋታት እምነት እናስኣንሉ ብምምጽኦም ተቐባልነት ስኢኑ። ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ህዝቢ ክጽንብሎ'ኳ እንተተራእየ፡ ኣብ ቀረባ ኣፍሮባሮሜትር ዘካየዶ መጽናዕቲ ግን 76 ሚኢታዊት ጊናውያንን 70 ሚኢታዊት ማላውያንን ወተሃደራዊ ስርዓት ከም ዘይቕበሉዎ የርኢ። ብተወሳኺ፡ ዲሞክራሲ ኣብ ጊኒ 77 ሚኢታዊት ህዝቢ ክድግፎ እንከሎ፡ ኣብ ቡርኪናፋሶ 70፣ ኣብ ማሊ ድማ 62 ሚኢታዊት ህዝቢ ይድግፎ ይብል። ሰባት ወተሃደራዊ ምትእትታው ዝድግፍሉ ምኽንያት ግን፡ ኾን ዶኾን ዝሓሸ ዕውት ስቪላዊ መንግስቲ ንክመጽእ ክሕግዝ ይኸውን ብዝብል እምበር ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ምሕደራ ንምንባር ድልየት ስለ ዘለዎም ኣይኮነን። ይኹን'ምበር፡ ዝኾነ ዕልዋ ዲሞክራሲያዊ ምስግጋር ክገብር ብዙሕ ዝተለምደ ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ ሱዳን፡ ብ2021 ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሱዳናውያን ነቲ ስቪላዊ ምምሕዳር ካብ ስልጣኑ ንዝኣለየ ወተሃደራዊ ዕልዋ ብምቅዋም ንኣዋርሕ ተቓውሞ ኣካይዶም። ኣብዚ ግዜ ዋላ'ውን ኣማኢት ሰባት እንተቖሰሉን ኣስታት 79 ሰባት እንተሞቱን ሱዳናውያን ዲሞክራሲያዊ መሰሎም ክሳብ ዘረጋግጹ ተቓውሞኦም ቐጺሎም እዮም። ዲሞክራሲ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝደልይኦ'ዩ ክትብል ካብ ዝገብረካ ሓደ ምኽንያት ኸኣ ድኹም ኣፈጻጽማ ምልካዊ መንግስታት እዩ። ኣብ ኣፍሪቃ ሓደ \"ሓያል ሰብኣይ\" ክገብሮ ዝኽእል እንታይ እዩ እንትብሃል ሩዋንዳ ብኣብነት ትልዓል። ኣብታ ሃገር ቑጠባዉ ዕብየት ብምምጻእ ብልሽውና ክንኪ ክኢሉ'ዩ። ብሓፈሽኡ ግን ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓታትን ወተሃደራዊ ጁንታን ዘጋጥም ዋሕዲ ተሓታትነት ንልዑል ብልሽውናን ዘይውጽኢታዊ ቑጠባዊ ፖሊስን ዝወስድ እዩ። ከም ውጽኢቱ፡ ብማእኸላይ ናይ ኣፍሪቃ ዲሞክራሲ ልዑል ቑጠባዊ ዕብየትን ምምላእ ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ከምጽእ ይስትውዓል። ብተወሳኺ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ምፍጻምን ኣዕነውቲ ንዝኾኑ ጎንጺታት ናይ ምቅላዕን ዕድሎም ትሑት እዩ። ኣብ ኣፍሪቃ፡ ወተሃደራዊ ዕልዋታት ዝመርሑ ኣዘዝቲ ሰራዊት ልዕልነት ሕጊ ክሰፍንን ዲሞክራሲ ዘውሕስ ስርዓት ክትከልን እዩ ዝብል መብጽዓ እዮም ዝኣትው። ኣብ ብዙሓት ኣጋጣሚታት ግን እቲ ስልጣን ናብ ስቪላዊ ምምሕዳር ዝምለሰሉ ግዜ ክደናጎየ ይርኣይ። ኣብ ገሊኡ፡ ኣብ ስልጣን ብምዃን ዝረኽቡዎ ውልቃዊ ረብሓ ስለ ዝህሉ ኮይኑ እዚ ብቐሊሉ ክስእኑዎ ኣይደልዩን። ኣብ ካልኦት ድማ ካብቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ንላዕሊ ግዜ ዝወስኡ ከዐውቱዎም ዝደልዩ ፖለቲካዊ ፕሮጀክታት ብምህላዎም'ዩ። ይኹን'ምበር ኩሎም ዕልዋታት መንግስቲ ዲሞክራሲያዊ ትካላት ስለ ዘዳኽሙን ሓይሊ ጥይት ንሓይሊ ምርጫ ተበሊጹ ስልጣን ስለ ዝሕዝን ወተሃዳራዊ ሓይሊ ስልጣን ምቁጽጻሩ ካብ ዓዘቕቲ ዘውጽእ ኣይኮነን። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ካብ ዘይምርግጋእን ስእንት ጸጥታዊ ድሕንትን ዘናግፉ ድልዱል ዲሞክራሲያዊ ትካላት ምህናጽ እንተተኻኢሉ ምትላላት ፖለቲካዊ መራሕቲ ምቅላስ ይክኣል እዩ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60284570"} {"headline":"ዩጋንዳ: ወዱ ንፕረዚደንት ሙሰቨኒ ጀነራል ካይነሩጋባ ጥሮታ ከምዘይወጸ ሰራዊት እታ ሃገር ኣፍሊጡ","content":"ወዱ ንፕረዚደንት ዩጋንዳ ዮወሪ ሙሰቨኒ ካብ ሰራዊት ከም ዘይተጣየሰ ሰራዊት እታ ሃገር ሓቢሩ። እቲ ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ዝኾነ ሌ\/ጀነራል ሙሁዚ ካይነሩጋባ ብሰሉስ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ካብ ሰራዊት ብጥሮታ ከም ዝወጽአ ገሊጹ ነይሩ። ኣፈኛ ሰራዊት ዩጋንዳ፡ ብ\/ጀነራል ፈሊክስ ኩላይግየ ግን፡ ወዱ ንፕረዚትን ሙሰቨኒ ዝኾነ ጀነራል ካይነሩጋባ፡ ጥሮታ ከምዝወጽእ ወግዓዊ ምልክታ ከም ዘየቕረበ ብምጥቃስ ኣብ ሰራዊት ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ። እቲ ንኣቦኡ ክትክኦ'ዩ ተባሂሉ ዝንገረሉ ጀነራል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ድሕሪ ናይ 28 ዓመታት ኣገልግሎት ካብ ሰራዊት ከምዝወጸ'ዩ ኣፍሊጡ ነይሩ። \"ነቲ ዝበለጸ ሰራዊት ኣብ ዓለም ዝኾነ ዘደንቕ ሰራዊተይ ናይ 28 ዓመታት ኣገልግሎት ድሕሪ ምሃብ፡ ጥሮታ ከም ዝወጽእ ከፍልጥ ደስ እብለኒ\" ኢሉ ነይሩ። እቲ ሓበሬታ ቀልጢፉ ኣብ ማሕበራዊ ድሕሪ ምልብዑ ግን፡ ምስ ዓርኩ ዝኾነ ጋዜጠኛ ኣንድሪው ምወንዳ ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ ድሕሪ 8 ዓመት ጥሮታ ከም ዝወጽእ ገሊጹ'ሎ። እቲ ፈለማ ዝወጸ ናይ ጥሮታ ሓበሬታ ብተሓጋገዝቲ ናይቲ ጀነራል ዝተፈጸመ ጌጋ ምዃኑ'ውን እቲ ጋዜጠኛ ጠቒሱ። ብዙሓት ዩጋንዳውያን ግን፡ ዋላ'ኳ ነቲ ኣቐዲሙ ዝወጸ ሓበሬታ ክእርሞ እንተፈተነ፡ ነቲ ንልዕሊ 36 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ኣቦኡ ክትክእ ካብ ወተሃደራዊ መዝነቱ ወሪዱ ከምዘሎ'ዮም ዝኣምኑ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዘለዎ ደገፍ ዝገለጸ ጀነራል ካይነሩጋባ፡ ኣዘራራቢ ሓበሬታታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዝርግሕ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ \"ፑቲን ምሉእ ብምሉእ ቅኑዕ'ዩ ዘሎ\" ክብል ጽሒፉ ነይሩ። ሕብረት ኣውሮጳ መግለጺ ናይቲ ጀነራል \"ዘይቅቡል'ዩ\" ብምግላጽ፡ ዩጋንዳ ብወግዒ ንሩስያ ዘለዋ ደገፍ ምግላጻ ብንጹር ዘይጠቐሶ ሳዕቤን ክገጥማ ምዃኑ እቲ ሕብረት ኣጠንቂቑ ነይሩ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60696633"} {"headline":"ብምትላል ኣማኢት ኣሽሓት ዶላራት ዘኻዕበተ ናይጄርያዊ ናይ ሓሶት \"ጀነራል' ኣብ ቀይዲ ኣትዩ","content":"ኣብ ናይጀርያ፡ ንርእሱ ወተሃደራዊ 'ጀነራል' ብምጥማቕ፡ ንፌርማ ፕረዚደንት እታ ሃገር ሙሃማዱ ቡሃሪ ሰኒዑ ተባሂሉ ዝተኸሰሰ ሰብ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። ሰብመዚ ጸጥታ እታ ሃገር ከምዝበልዎ፡ እቲ ክሱስ ጀነራል ሓይሊ ምድሪ ተመሲሉ፡ ብዙሕ ገንዘብ ከምዝኣከበ ሓቢሮም። ኮሚሽን ቁጠባውን ፋይንሳውን ገበናት ናይጀርያ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ \"ጀነራል\" ቦላሪንዋ ኦሉዋስጉን፡ ካብ ሓደ ኣገልግሎት ዝህብ ትካል ልዕሊ 650 ሽሕ ዶላር ብምጥፍፋእ ወሲዱ ኢሉ። እቲ ኮሚሽን ከምዝበሎ፡ እቲ ውልቀሰብ ሓስዩ፡ ፕረዚደንት ወተሃደራዊ መዝነት ንክህቦ ተሓጽዩ ከምዘሎን ነቲ መዝነት ከይሓልፎ ምእንቲ ናይ ጉቦ ገንዘብ ከምዘድልዩን ብምግላጽ ገንዘብ ተቐቢሉ። ኦሉዋሰጉን ብዛዕባ'ቲ ቀሪብሉ ዘሎ ክሲ ዝበሎ'ኳ እንተዘየለ፡ ሰብመዚ ግን፡ መርመርኦም ምስ ወድኡ ናብ ፍርዲ ከምዘቕርብዎ ሓቢሮም ኣለዉ። ብረቡዕ ኣብ ከተማ ሌጎስ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ እንከሎ፡ ኣብ ቀይዲ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፡ ሽዱሽተ ብረታት፡ ወተሃደራዊ በትሪን ሓያሎ ዝተሰንዐ ሰነዳትን ከምዝተረኽቦ ተገሊጹ። እቲ ጥርጡር፡ ነቲ ግዳይ ዝኾነ ትካል ንምትላል፡ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ክኸውን ከምዝተሓጽየ ዝገልጽ ደብዳበ ካብ ፕረዚደንት ቡሃሪ ከምዝበጽሖ ዝገልጽ ስኑዕ ፌርማ ናይቲ ፕረደዚንት ዘለዎ ሰነድ ከምዘርኣየ ሰብመዚ ጠቒሶም። ናይ መኮንናት ወተሃደራዊ ክዳን ለቢሱ፡ ብባንዴራታት ዝተፈላለዩ ክንፍታት ሰራዊት ናይጀርያ ተዓጂቡ ዝተሳእሎ ስእሊ'ውን ኣካል ናይቲ ምድንጋር ምዃኑ'ዮም ሰብመዚ ዝኸሱ። ፕረዚደንት ናይጀርያ፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ብሰንኪ ኣብታ ሃገር እናገደደ ዝመጸ ጭውያን መጥቃዕትታት ቦኮሓራምን ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ከውርድን ክሸይምን ምጽንሑ ይዝከር።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60001825"} {"headline":"ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ምስ ቻይና ዘካየዶ 'ምስጢራዊ' ዝርርብ እንታይ እዩ?","content":"ኣቦመንበር ጠቕላሊ-ሓለቓታት ስታፍ ክንፍታት ሰራዊት ኣመሪካ ዝኾነ ጀነራል ማርክ ሚሊ፡ ኣብ ኣጋ ምዝዛም ዘመነ-ስልጣን ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ ቻይና ምስጢራዊ ርክብ ከምዘካየደ ሓደ ፍሉጥ ጋዜጠኛ ብዛዕባ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ዘሕተሞ መጽሓፍ ገሊጹ። እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2020 ከምኡ'ውን ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት ዝተኻየደ ናይ ተለፎን ርክብ፡ ንሰራዊት ቻይና ውሕስነት ንምሃብ ዝዓለመ ምንባሩ እቲ ጀነራል ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። ትራምፕ፡ እቲ ጸብጻብ ዝተሰንዐ ምዃኑ'ኳ እንተገለጸ፡ ደገፍቱ ዝኾኑ ኣባላት ሪፓብሊካዊ ሰልፊ ግን እቲ ጀነራል ካብ መዝነቱ ክወርድ ይጠልቡ'ለዉ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን ግን፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ጀነራል \"ልዑል ምትእምማን\" ከምዘለዎ ኣፍሊጡ'ሎ። ኣፈኛ ጀነራል ሚሊ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ዝተኻየደ ናይ ቴለፎን ዝርርብ \"ስትራተጂካዊ ምርግጋእ ንምሕላዉን ውሕስነት ንምሃብን ዘለዎ ግቡእን ሓላፍነትን\" ምዃኑ ገሊጹ። እቲ ዝተገብረ ናይ ስልኪ ጻውዒት ናብ ኣዛዚ ሰራዊት ቻይና ጀነራል ሊ ዙቸንግ ዝተገብረ ምንባሩ መርመርቲ ጋዜጠኛታት ዋሽንግተን ፖስት ኣቃሊዖም ነይሮም። እቲ ርክብ፡ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ድሕሪ ምዝዛሙን፡ ትራምፕ ንውጽኢት እቲ ምርጫ ምቕባል ድሕሪ ምእባዩን'ዩ ተኻዪዱ። እቲ 'ፐሪል' (ጥፍኣት) ዘርእስቱ መጽሓፍ ከምዝብሎ፡ ድሕሪ'ቲ ብ6 ጥሪ 2021 ኣብ ልዕሊ ህንጻ ባይቶታት ኣመሪካ (ካፒቶል) ዝተኻየደ ጎነጽ ዝተሓወሶ መጥቃዕቲ፡ እቲ ጀነራል \"ድሕሪ'ቲ ምርጫ ትራምፕ ናብ ሓደገኛ ዝኾነ ስነ ኣእምሮኣዊ ምንቁልቋል ከምዝተሸመመ ርግጸኛ ኮይኑ\"። እቲ ንውጽኢት ምርጫ ዝተሓረመ ትራምፕ \"ካብ ቁጽጽር ወጻኢ\" ከይከውን እቲ ጀነራል ሻቕሎት ከምዝሓደሮ'ዩ እቲ ብፍሉጣት ጋዜጠኛታት ቦብ ዉድዋርድን ሮበርት ኮስታን ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ዘውስእ። ጀነራል ሚሊ፡ \"መንግስቲ ኣመሪካ ርጉእ\" ከምዘሎን ኣመሪካ ዝኾነ መጥቃዕቲ ከምዘይትፍጽምን ብምግላጽ ንቻይናዊ መዘናኡ ጀነራል ሊ ውሕስነት ሂብዎ ይብል፡ እቲ ብዛዕባ'ቲ ዝርርብ ዝወጸ ጸብጻብ። መጥቃዕቲ ክውሰድ እንተኾይኑ፡ ክሕብሮም ምዃኑ'ውን ከምዘረጋገጸሎም እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ። ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ ኑክሌራዊ መጥቃዕቲ እንተ ኣዚዙ፡ ቅድሚ ምትግባሩ እቲ ጀነራል ባዕሉ ከረጋግጾ ከምዘለዎ ንተሓጋገዝቱ ሓቢርዎም ክብል'ውን እቲ መጽሓፍ ኣስፊሩ'ሎ። ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ጀነራል ሚሊ \"ክሕደት ሃገር\" ከምዝፈጸመ ብምኽሳስ፡ ነቲ ጸብጻብ \"ስኑዕ ዜና\" ክብል ነጺግዎ። ኣባል ላዕለዋይ ባይቶ ኣመሪካ (ሰነት) ዝኾነ ሪፓብሊካዊ ማርኮ ሩብዮ፡ ፕረዚደንት ባይደን ነቲ ጀነራል ከባርሮ ጸዊዑ'ሎ። ኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት (ዋይት ሃውስ) ጄን ፕሳኪ \"ፕረዚደንት [ባይደን] ኣብ ልዕሊ መሪሕነት፡ ሓርበኝነትን [ጀነራል ሚሊ) ከምኡ'ውን ንሕገ-መንግስትና ዘለዎ ተማእዛዝነትን ምሉእ ምትእምማን ኣለዎ\" ኢላ። እቲ ጀነራል ኣብ መዝነቱ ክቕጽል ከምዝኽእል እምነት ከምዘለዎ'ውን ፕረዚደንት ባይደን ኣነጺሩ'ሎ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58587505"} {"headline":"ፕረዚደንት ሶማልያ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር መዚዙ","content":"ፕረዚደንት ሶማልያ መሓመድ ዓብደላሂ ፈርማጆ ንመሓመድ ሑሴን ሮብለ ቀዳማይ ሚኒሰትር እታ ሃገር ክኸውን ከምዝመዘዞ ሓቢሩ። ፕረዚደንት መሓመድ ዓብደላሂ ፈርማጆ፡ ንመሓመድ ሑሴን ሮብለ “ብፍልጠቱ፣ ተሞኩርኡን ኣብ ሃገራዊ ህንጸትን ምዕባለን ንሃገራዊ መደባት ኣብ ምትግባር ዘለዎ ክእለት” ኣብ ግምት ኣእትዩ ከምዝመረጾ ሓቢሩ። መሓመድ ሑሴን ሮብለ፡ መዝነቱ ብባይቶ እታ ሃገር እንተጸዲቕሉ፡ ነቲ ኣብ 25 መጋቢት ብሃገራዊ ባይቶ ዝወረደ ቀዳማይ ሚኒሰትር ነበር ሓሰን ዓሊ ካሬ ክትክኦ እዩ። ፕረዚደንት ሶማልያ ሞሓመድ ዓብደላሂ ፈርማጆ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንኽኸውን ዝመዘዞ መሓመድ ሑሴን ሮብለ “ መንግስቲ ንዝመጽእ ሃገራዊ ምርጫ ድሉው ንኽኸውን ዘኽእል ዓቕሚ ዘለዎ፣ ሃገራዊ ጸጥታ ከውሕስ፣ ሰራዊት ሶማልያ ዳግም ምውድዳብ ንኽገበረሉ፣ ትሕተ ቅርጺ ንኽዝርግሕን መሰረታውያን ጠለባት ህዝቢ ከማልእን” ትጽቢት ከምዝገብረሉ ገሊጹ። መሓመድ ሑሴን ሮብለ ኣብ ፖሎቲካ ሶማልያ ሓዲሽ ስለዝኾነ ንቦታ ቀዳማይ ሚኒሰትር ይምጥኖ ድዩ ዝብሉ ወገናት ግን ኣይተስኣኑን።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54202322"} {"headline":"ሩስያ ኣብ ሱዳን እትሃንጾ መደበር ሓይሊ ባሕሪ እንታይ ዘጠቓልል'ዩ?","content":"ትሕዝቶ ናይቲ፡ ሩስያ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ወታሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ ዘፍቅድ፡ ኣብ መንጎ ካርቱምን ሞስኮን ዝተበጽሐ ስምምዕ ክወጽእ ጀሚሩ። ብመሰረት እቲ ሱዳንን ሩስያን ዝኣተውኦ ውዕል፡ እቲ ሩስያ ኣብ ፖርትሱዳን ክትሃንጾ መዲባ ዘላ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ን25 ዓመታት ዝጸንሕ'ዩ። ኑክሌራዊ መራኽብ ዝርከብአን ክሳብ 4 መራኽብ ኲናት ሩስያ ኣብቲ ወደብ ክዕስክራ ክፍቀደለን ምዃኑ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈረመ ስምምዕ ኣነጺሩ። ተንተንቲ ከምዝብልዎ፡ እቲ ስጉምቲ፡ ሩስያ ክህልዋ እትደልዮ ጆኦፖለቲካዊ ጽልዋ ንምዕባይ ዝዓለመ'ዩ። ኣብዚ ዓመት'ዚ፡ ሩስያ ኣብ ጎደቦኣ ዝነበራ ጽልዋ ከም ዝኸሰረት ይንገር። ሓደ ካብኡ፡ እታ ናይ ነዊሕ እዋን መሓዝኣ ዝነኾት ኣርመንያ በታ ቱርኪ እትድግፋ ኣዘርባዣን ምስዓራ'ዩ። ኣብ 2017፡ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣል-በሽር፡ ንፈለማ እዋን ናብ ሩስያ ኣብ ዝኸደሉ ንፕረዚደንት ቪላድሚር ፑቲን ንሃገሩ ካብ ኣመሪካ \"ክሕልዋ\" ሓቲትዎ ነይሩ። እቲ ኣብ ሚያዝያ 2019 ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ኣል-በሽር፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ብዝተፈላለየ ክስታት ኣብ ማእሰርቲ ይርከብ። ብመሰረት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝወጸ ጸብጻብ፡ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ፖርት ሱዳን ክህነጽ ተወጢኑ ዘሎ መዓስከር: ኣስታት 300 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ክሰፍርዎ'ዮም። ሞስኮ፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ንምስፍሕፋሕን ጽልዋታትን ኣመሪካን ቻይናን ንምብዳህ፡ ናብ ኣፍሪቃ ኣድሂባ ትሰርሕ ከምዘላ ተንተንቲ ፖሎቲካ ይዛረቡ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ ሓደ ፍሉጥ ናይ ጀርመን ጋዜጣ \"ሩስያ ኣብ ኤርትራ ወታሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ እያ\" ዝብል ወረ ምስ ዘርገሐ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል እቲ ወረ ሓቂ ዘይምዃኑ፡ ኤርትራ፡ ሩስያ ወተሃደራዊ መዓስከር ንኽትሃንጽ ዝኾነ ይኹን ውዕልን መብጽዓን ከምዘይኣተወት ሓቢሩ ምንባሩ ይፍለጥ። እቲ፡ ንሓደ ምስጢራዊ ሰነድ መንግስቲ ጀርመን ብምጥቃስ ዝሰፈረ ጸብጻብ፡ ሩስያ ኣብ ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ወታሃደራዊ መዓስከራት ክትሃንጽ መደብ ከም ዘለዋን፡ ካብተን ሃገራት ናይ ውዕል መብጽዓ ከምዝተኣትወላን ዝሕብር'ዩ። እተን ዝተጠቕሳ 6 ሃገራት ከኣ፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ግብጺ፡ ኤርትራ፡ ማዳጋስካር፡ ሞዛምቢክን ሱዳንን እየን። ቻይና ብወገና፡ ኣብ ኣፍሪቃ ኣገደስቲ ዝኾኑ ወተሃደራዊ መዓስከራት ክትከፍት መደብ ከምዘለዋ ሚኒስተር ምክልኻል ኣሜሪካ ሓቢሩ ነይሩ። ካብ ሰራዊት ኣሜሪካ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ኬንያ፣ ሲሼልስ፣ ታንዛኒያን ኣንጎላን ቻይና ዝመረጸተን ሃገራት እየን።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55252481"} {"headline":"ምስ ሙሉእ ጥዕና እየ ዘለኹ' ይብል ድሃይ ኣጥፊኡ ዝቐነየ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ","content":"ድሕሪ ነዊሕ እዋን ብመንገዲ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ብህዝቢ ዝተራእየ ኤታማጆርሹም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ ጠፊኡ ዝፀንሐ፡ ብምኽንያት ፃዕቂ ስራሕ እምበር፡ ኣብ ሙሉእ ጥዕና ከምዝርከብ ንቢቢሲ ገሊፁ። ብፍላይ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ሳምንታት ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸብታት፡ እቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊትኢትዮጵያ ዝኾነ ጀነራል ብርሃኑ: ብኸቢድ ሓሚሙ ዝብልን ካልኦትን ወረታት ብዛዕባኡ ክናፈሱ ፀኒሖም’ዮም። ትማሊ ሰኑይ ብኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ድሕሪ ምቕራቡ ቢቢሲ ዘዘራረቦ እቲ ጀነራል፡ ካብ ዓይኒ ህዝቢ ርሒቑ ዝፀንሐ ኣብ ልዑል ፀቕጢ ስራሕ ስለዝፀንሐ ከምዝኾነ ተዛሪቡ። ኣብ ጥዕንኡ ዋላ ሓደ ዘጋጠሞ ፀገም ከምዘየለ ብምሕባር ድማ፡ “ ሚእቲ ብሚእቲ ኣብ ፅቡቕ ጥዕና እየ ዘለኹ” ኢሉ። ጀነራል ብርሃኑ፡ ብዛዕብኡ ክላባዕ ብዛዕባ ዝፀንሐ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ “ሰብ ብሓሳብ እንክፈላለን ብዓይኒ ፀላኢ እንክረአአን፡ ፀላእየይ እዩ ንዝበሎ ወገን ፅቡቕ ነገር ኣይሓስብን። እዚ ምሳና ይገጥሙ ናይ ዘለዉ ሓይልታትን ፈተውቶምን ትምኒት እዩ። ኣብ ጉዳይ ጥዕናይ ካባይ ንላዕሊ ዝፈልጥ ጠንቋሊ ዘሎ ኣይመስለንን። ሕማም ርእሲ እኳ የብለይን” ብምባል ነቲ ክናፈስ ዝቐነየ ወረ ነጺግዎ። ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ ካብ ናይ ውልቁ ጉዳያት ወጻኢኣብ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት’ውን መብርሂ ሂቡ። ንሱ፡ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ካብ ትግራይ ዝወፀሉ ምኽንያትን፡ ክምለስ ዝኽእለሉ ነጥብታትን ተዛሪቡ። “መንግስቲ ብዝሃቦ ፖለቲካዊ ውሳነ ኢና፡ ካብ ትግራይን ካብ መቐለን ወፂእና። እቲ ውሳነ ልክዕ እዩ ኢልና ኢና ንኣምን። ከምኡ’ውን ንስለ ህዝቢ ትግራይ ኢሉ ዝኸፈሎ መስዋእቲ እዩ ኢልና ንኣምን። እዚ ልኡኽ ተቐቢልና ኢና ወፂእና” ኢሉ። ድሕሪ ናይ ሸሞንተ ኣዋርሕ ውግእ እቲ ሰራዊት የዕርፍን መሊሱ ይወዳደብን ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ጀነራል፡ ናይ ስልጠና ስራሕ ይዕመም ከምዘሎ ተዛሪቡ። “ምድላዋትና ብልዑል ኩነታት ንውግን ኢና ዘለና። መንግስቲ ንዝህበና ተልእኾ፡ ድሉዋት ኮይንና ንፅበ ኢና ዘለና” ኢሉ። ካብዚ ብተወሳኺ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፡ “ክሳብ ሕዚ ንህዝቢ ትግራይ ዘሳቐዮ ስለዝኣክል፡ ደው ኢሉ ሓሲቡ መንግስቲ ዘመቻቸዎ በይንኣዊ ተኹሲ ተቐቢሉ፡ ንሱ’ውን ተኹሲ ደው ብምባል ዝደልዮ ፖለቲካዊ ሕቶ እንተልዩ ክደራደር ከምዘለዎ ኢና ንምዕድ” ክብል ተዛሪቡ። “ብቅድመ ኩነት ዝተጋየፀ ሰላም ኣይርሕውን፤ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ደርዲሩ ‘ኣብዚ እቶ እሞ ክንላዘብ’ ዝብል እንተልዩ ሕራይ ዝብል የለን። ሓደ ነገር ክትገብር ከለኻ፡ እቲ ካልእ’ኸ እንታይ ይገብር ዝብል ምሕሳብ ፅቡቕ እዩ” ኢሉ። “ነገራት ብጉልበት ዝቕፅሉ እንተኾይኖም፡ ሰራዊት ምክልኻል እቲ ኩናት እንክንጅምር ልዕሊ ዝነበረ ደረጃ ፅኑዕ፣ ልምዲ ውግእ ዘለዎን ብፅቡቕ ዝተዓጠቐን እዩ፤ ትእዛዝ መንግስቲ እዩ ዝፀበ ዘሎ። ሕዚ ብዘለውዎ መንገዲ እንድሕር ዝቕፅሉ ኮይኖም፡ ከምዝለመድናዮ ምግባርና ኣይተርፍን” ኢሉ። እቲ ሰራዊት ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ከምዝኾነ ዝሓበረ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ “ውፃእ ክንበሃል ንወፅእ፤ እቶ ክንበሃል ንኣቱ” ኢሉ። ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ግና፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣንፀባራቒ ዓወት ከምዝሓፈሱን እቲ ሰራዊት ተደፊኡ ካብ ትግራይ ከምዝወፅአን እዮም ዝገልፁ። መንግስቲ ፌደራል ሓይልታቱ ካብቲ ክልል ኣብ ዝወጸሉ ዝነበረ እዋን በይንኣዊ ተኹሲ ደው ምባል ምእዋጁ ይዝከር። ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ብወገኖም፡ ተኹሲ ደው ንምባል በዓል ሸውዓተ ነጥቢ ቅድመ ኩነት ዘቐመጡ እንትኾኑ፡ ነዚ ቅድመ ኩነት ብወገን መንግስቲ ፌደራል ዝተውሃበ ወግዓዊ ምላሽ የለን። ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 2021 ጀሚሩ ካብ ዘካየድዎ ዘለዉ ሓድሽ ወፍሪ ንነዘ፡ ንርእሰከተማ መቐለ ሓዊሱ፣ ከተማታት ኣላማጣን ኮረምን ብርክት ዝበለ ከባብታትን ትግራይ ምቁፅፃሮም ይፍለጥ። ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ መሬት ትግራይ ጠቕሊሎም ክሳብ ዝወፅኡ ድማ ምውጋእ ከምዝቕፅሉ ገሊፆም’ዮም። መንግስቲ ፌደራል ብወገኑ፡ “እቲ መጥቃዕቲ ዝቕፅል እንተድኣ ኮይኑ፡ ዘድልይ ዘበለ ስጉምቲ ከምዝወስድ” ከጠንቅቕ ምጽንሑ ይፍለጥ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57904995"} {"headline":"ፕረዚደንት ጋና ነበር ጄሪ ራውሊንግስ ኣብ 73 ዓመቱ ዓሪፉ","content":"ፕረዚደንት ጋና ነበር ጄሪ ራውሊንግስ ኣብ መበል 73 ዓመቱ ሞይቱ። እቲ ኣብ ሓይሊ ኣየር ጋና ላዕለዋይ መኮነን ኮይኑ ብወተሃደርነት ዘገልገለ ጄሪ ራውሊንግስ፡ ክልተሻብ ዕልዋ መንግስቲ ኣካይዱ እዩ። ፈላማይ ዕልዋ ኣብ 1979 ዘካየዶ ኾይኑ፡ ድሕሪ’ቲ ዕልዋ ስልጣን ንስቪላዊ መንግስቲ ኣረኪቡ እዩ። ክሳብ 1992 ድማ፡ ናይ’ቲ ኣብ’ታ ሃገር ስልጣን ጨቢጡ ዝነበረ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሓላፊ ብምዃን መሪሑ እዩ። ድሕሪኡ ድማ መረጻ ተኻይዱ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይኑ ኣገልጊሉ። ንክልተ እብረ፡ ፕረዚደንት ኮይኑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 2001 ካብ መዝነቱ ወሪዱ። ብዛዕባ ሞቱ ካብ’ታ ሃገር ዝወጽኡ ዘለዉ ጸብጻባት ከምዝብልዎ፡ ንቑሩብ እዋን ሓሚሙ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ከተማ ኣክራ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል እዩ ሞይቱ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54921555"} {"headline":"ኣብ ቤንሻንጉል መተከል ሓዘንተኛታት መጥቃዕቲ ከምዝበፅሖም ተገሊፁ","content":"ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ዞባ መተከል: ወረዳ ቡለን፡ ሓደ ሰብ ተቐቲሉ፤ ከምኡ'ውን ኣብ ሓዘን ኣብ ዝነበሩ ኣርባዕተ ሰባት ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ብርቱዕ ጉድኣት በጺሑ ተባሂሉ። ብሓሙስ 15 ሓምለ 2013 ዓ.ም [ ኣቆጻጽራ ግእዝ] ሓደ ነባሪ እታ ከተማ መንእሰይ፡ ብልሙድ ካማሺ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ መውጽኢ በሪ፡ ምስ ካልኦት ኣዕርኽቱ ኣብ ሓለዋ እንከሎ፡ ብጥይት ተወቒዑ ከምዝተቐትለ፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክልተ ነበርቲ ገሊጾም። ኣብ ቀረባ እዋን ናብቲ ከባቢ ተመዛቢሎም ዝመጽኡን ኣብ ከተማ ቡለን ቀበሌ ሓደን ክልተን ዝተዋጽኡ ሰባት እናሓለው፡ ሓደ መንእሰይ ብዘይተፈልጡ ሸፋቱ ከምዝተቐትለን፡ ሬስኡ ብኣምቡላንስ ከምዝተወስደን ነበርቲ ይዛረቡ። እቲ ኣስከሬን ካብ ሆስፒታል ምስወጽአ መናእሰያት እናበኸዩ ይስዕቡ ከምዝነበሩ እንተኾነ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰራዊት ምክልኻል ከምዝበተኑዎም እቶም ተቓውሞ ዘስምዑ መናእሰያት ይዛረቡ። ሜዲካል ዳይሬክተር ሆስፒታል ቡለን ዶክተር ታከለ ገሰሰ'ውን፡ እቲ መንእሰይ ኣብ በረኻ ተወቒዑ ሬስኡ ናብ ሆስፒታል መጺኡ ከምዝነበረ ኣረጋጊጹ። እቲ ዶክተር ብምቕጻል፡ ሓሙስ ድሕሪ ቐትሪ ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት ብጥይት ተወቒዖም ናብ'ቲ ሆስፒታል ከምዝመጽኡ፤ እቶም ሰለስተ ንዝሐሸ ሕክምና ናብ ባህርዳር ከምዝተላእኩን፡ እቲ ሓደ ግን ዛጊድ ኣብኡ ደቂሱ ይሕከም ከምዘሎን ተዛሪቡ። ቢቢሲ ካብ ዘዘራረቦ ወዲ 65 ሽማግለ ኣይተ ኣዳሙ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብግምት ሰዓት 10 ኣቢሉ ከምዝጀመረ ይዛረብ። ኣይተ ኣዳሙ፡ ብቕትለት እቲ መንእሰይ ዝተላዕለ፡ ኣባላት ኮማንድ ፖስት ሰራዊት፡ \"ኣብ ልዕሊ ሓዘንተኛታት ተኲሶም\" ክብል ይዛረብ። \"ኣባላት ሰራዊት ምዃኖም ብክዳኖም ኢና ንፈልጦም። ምሳና ሓቢሮም ስለዝነብሩ ኣጸቢቕና ኢና ነለልዮም። ናብ'ቲ ተቐሚጥናሉ ዝነበርና እንዳ ሓዘን እዮም ተኲሶምልና\" ኢሉ። ኣብቲ እንዳ ሓዘን ዝነበሩ በጻሕቲ በቲ ተዅሲ ከምዝተበታተኑን እቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ንጽባሒቱ ዓርቢ ከምዝተኻየደን ይዛረብ ። ኣይተ ኣዳሙ ንባዕሉ፡ ኣብ ከተማ ቡለን ሕክምና ይግበረሉ ከምዘሎ ተዛሪቡ። ኣባል ኮማንድ ፖስት ወረዳ ቡለን፡ ሻለቃ ሰለሞን፡ \"ንሕና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣይንትኩስን ንህዝቢ ኢና ንከላኸል\" ብምባል እቲ መጥቃዕቲ ብኣባላት ሰራዊት ከምዘይተፈፀመ ተዛሪቡ። \"ኣብቲ እዋን ዕግርግር ስለዝነበረ፡ ነንሕድሕዶም እዮም ተዋቒዖም ዝኾኑ፤ እዚ ድማ ምስተጻረየ እዩ ዝፍለጥ። ሰራዊት ግን ንሰብ ኣይወቅዕን፤ ንሕልዎም ኢና ዘለና፤ ካልእ ተልእኾ ዘለዎ ሰብ'ዩ ስም ሰራዊት ዘጸልም ዘሎ\" ብምባል ነቲ ክሲ ነጺጉዎ። ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ፡ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ብተደጋገሚ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም እዮም። ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ መንነቶም ዘይተፈልጠ ዕጡቓት፡ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት የመልክቱ። ገለ ከባቢታት እቲ ክልል፡ ኩነታት ጸጥታ ንምርግጋእ፡ ካብ ሰራዊት ምክልኻልን ካብ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልልን ብዝተዋጽኡ [ሓይልታት]ብኮማንድ ፖስት እዩ ዝመሓደር ዘሎ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57952756"} {"headline":"ናይጀርያ ብህዝቢ ንዝተጸልአ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ፌደራል በቲና","content":"መንግስቲ ናይጀርያ፡ ንጭካነ ፖሊስ ብምቅዋም ንዝተወልዐ ህዝባዊ ናዕቢ ስዒቡ፡ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ክብተን ወሲኑ። እቲ 'ሳርስ' - [ስፔሻል ኣንቲ-ሮበሪ ስኳድ] ብዝብል ዝፍለጥ ፍሉይ ጋንታ ጸረ-ፍግሪ (ስርቂ) ብቐጥታ ክብተን ከምዝተወሰነ እዩ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ ። ኣንጻር እቲ ፍሉይ ሓይሊ ዝተወልዐ ህዝባዊ ተቓውሞ መበገሲኡ፡ ሓደ ሰብኣይ ብኣባላት ፖሊስ ክቕተል ከሎ ዘርእይ ቪድዮ ክዝርጋሕ ብምኽኣሉ እዩ። ዝተወልዐ ህዝባዊ ተቓውሞ እናጸዓቐ ብምኻዱ ድማ፡ ካብ ናይጀርያ ወጻኢ'ውን ተዘርገሑ። ሕጊ ብምጥሓስ፣ ንሰባት ብምስቓይን ብምቕታልን ዝኽሰሱ ኩሎም ኣባላት 'ሳርስ' (ፍሉይ ጋንታ ጸረ-ስርቂ) ከም ሓድሽ ክውደቡ ምዃኖም ተገሊጹ'ሎ። ነቲ ጋንታ ናይ ምትካእ ሓድሽ ምትዕርራይ ድማ ክስርሓሉ ምዃኑ ተሓቢሩ። ዋና ኣዛዚ ፖሊስ እታ ሃገር ከምዘፍለጦ፡ ካብ ውዳበታት ሲቪል ማሕበረሰብን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝሳተፉሉ ጉጅለ ምርመራ ተጣይሹ፡ ኣብቶም በቲ ፍሉይ ሓይሊ ተፈጺሞም ዝበሃሉ ጥሕሰታት ምጽራይ ከካይድ እዩ። ፕረዚደንት ሙሓማዱ ቡሃሪ፡ ፖሊስ ዝፍጽሞም ኣረመኒያዊ ተግባራት ንከብቅዕ ዳግመ ምትዕርራይ ከምዝገብርን \"ንዘጥፍኡ ኣባላት ፖሊስ ናብ ፍርዲ ከምዘቕርብን\" ቃል ኣትዩ ነይሩ። ተቃወምቲ ብወገኖም፡ እቲ ፍሉይ ጋንታ ምትዕርራይ ክግበሮ ዘይኮነስ መሊኡ ክፈርስ ይሓቱ። ምኽንያቱ \"እቲ ባህርያት ፖሊስ ንምቕያር ኣቐዲሙ ዝተኣተወ መብጽዓ ውጽኢታዊ ኣይኮነን\" ይብሉ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54505001"} {"headline":"ቅልውላው ኢትዮጵያ ትግራይ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንከተማ ዓዲ ግራት ከምዝተቖጻጸረ ሓቢሩ","content":"ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ንከተማ ዓዲ ግራት ከምዝተቖጻጸረ ሎሚ ኣብ ዘውጽሖ መግለጺ ኣፍሊጢ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ትማሊ፡ ንከተማታት ኣክሱምን ዓድዋን ከምዝተቖጻጸረን አፍሊጡ ነይሩ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ብማዕከን ዜና እቲ ክልል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ትማሊ ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ሓያል ደብዳብ ከቢድ ብረት ከምዝነበረን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ከቢድ ጉድኣት ከምዝወረደን ሓቢሩ። በቲ ደብዳብ ከቢድ ብረት ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ትሸዓተ ሰለማውያን ሰባት ከምዝሞቱ'ውን እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ። እንተኾነ፡ ኣብ ክልል ትግራይ መራኸብታት ተዓጽዩ ብምህላዉ፡ ናይ ክልቲኡ ወገን ብናጻ ኣካል ክረጋገጽ ኣይከኣለን። ኣፈኛ ሓይልታት ትግራይ ገብረ ገብረጻዲቕ፡ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ክልል ትግራይ ውግእ ክካየድ ከምዝወዓለን ኣብ ግንባራት መኾኒን ዛላምበሳን ዓወት ከምዘመዝገቡን ሓቢሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ሰራዊቱ ንከተማታት ኣኽሱም ዓድዋን ዓዲ ግራትን ተቖጻጺሩ ናብ መቐለ ገጹ ይግስግስ ከምዘሎ አፍሊጡ። ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ዝርከባ ከተማታት ኣክሱምን ዓድዋን ካብ ሞንጎ እተን ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ እየን። ኣፈኛ ሓይልታት ትግራይ ገብረ ገብረጻዲቕ ትማሊ አብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንወተሃደራዊ ዒላማ ዝገበረ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ባህርዳር መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ብቴለቪዥን ትግራይ ሓቢሩ። ይኹን እምበር ማዕከናት ዜና ክልል ኣምሓራ፡ ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ ገሊጸን ነይረን። ኣብ ባህርዳር ሓሙስ ለይቲ ዳግማይ ናይ ሮኬት መጥቃዕቲ ከም ዘጋጠመ ነበርትን ምምሕዳር እቲ ክልልን ኣፍሊጦም። ኣብቲ ስፍራ ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ፡ ሰዓት 1፡30 ናይ ለይቲ ኣብታ ከተማ ብርቱዕ ድምጺ ከም እተሰምዐ ኣረጋጊጹ። እንተኾነ እቲ መጥቃዕቲ ሮኬት ኣበየናይ ዕላማ ከምዘነጻጸረን እንታይ ጉድኣት ከምዘጋጠመን ቢቢሲ ከረጋግጽ ኣይከኣለን። ማዕከናት ዜና ፈደራላዊ መንግስቲ'ውን ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕትታቱ ቀጺሉ ከምዘሎ ኣቃሊሐን ኣለዋ። ዝሓለፈ ሓሙስ ድሕሪ ቀትሪ'ውን ኣብ ከተማ መቐለ ደብዳብ ነፋሪት ኲናት ከም እተኻየደ ምንጭታት ንቢቢሲ ገሊጾም። ቴሌቪዥን ትግራይ ኣበቲ ደብዳብ ቆሲሎም ናይ ዝበሎም ተምሃሮ ስእልታት ኣቕሪቡ ነይሩ። መንግስቲ ፌደራል ብዛዕባቲ ደብዳብ ነፈርቲ ዝሃቦ ምላሽ የለን። ብናጻ ኣካል እውን ኣይተረጋገጸን። ቅድሚኡ እውን ኣብ ከተማ መቐለ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝተኻየደን ሰላማውያን ሰባት ከምዝተሃርሙን ሪፖርተር ቢቢሲ ኣረጋጊጹ ነይሩ። እቲ ግጭት ካብ ዘጋጥም ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ ደብዳብ ነፈርቲ ይካየድ ምህላውን ሰላማውያን ሰባት ከምዝተጎድኡን መራሕቲ ትግራይ ይገልጹ። መንግስቲ ፌደራል ግን፡ እቲ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ንወተሃደራዊ ነቑጣታት ዘነጻጸረ እዩ ይብል። ብተመሳሳሊ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ከተማታት ባህርዳርን ጎንደርን ንዝርከቡ መዕርፎ ነፈርቲ ዕላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ሮኬት ተኻይዱ ምንባሩ ይዝከር። ብቀዳም 14 ሕዳር'ውን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ናብ ኣስመራ ተኻዪዱ ነይሩ። መንግስቲ ኤርትራ ግና ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ኣይተዛረበን። ኣባል መሪሕነት ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ እቲ ኣብዘን ከተማታት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብሓይልታት ትግራይ ከም እተኻየደ ኣረጋጊጹ። ኣብ መንጎ መንግስታት ፌደራልን ክልል ትግራይን ኲናት ካብ ዝጅመር ልዕሊ ክልተ ሰሙናት ገይሩ'ሎ። ሰብኣዊ ቅልውላው ብሰንኪ እቲ ኣብ መንግስቲ ፈደራልን ሓይልታት ክልል ትግራይን ተወሊዑ ዘሎ ኵናት መዓልታዊ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ሰባት ናብ ሱዳን ይሰግሩ ምህላዎም ጸብጻባት ይገልጹ። በቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኣስታት 36,000 ሰባት ካብቲ ናይ ኵናት ዞባ ሃዲሞም ናብ ሱዳን ከምዝኣተዉ ሱዳን ሓቢራ ኣላ። ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ እቲ ከባቢ ገዚፍ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ገሊጹ። ሕቡራት ሃገራት፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዝፈናቐሉ ዘለዉ ዕጽፍታት ናይቶም ናብ ሱዳን ዝስደዱ ዘለዉ ክኸውን ከምዝኽእል ስግኣቱ ገሊጹ። ናብ ትግራይ ከእትዎም ዝኽእል መስመራት ስለዝተዓጽወ እቲ ተጻባይ ረድኤት ስደተኛን ህዝብን ኣብ ጸገም ከምዘሎ ኣመልኪቶም። ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት - ዩኒሴፍ፡ ኣብ ትግራይ 2.3 ሚልዮን ህጻናት ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮም ሓቢሩ'ሎ። እንተኾነ ብሰንኪ'ቲ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ነቶም ህጻናት ዝወሃብ ሰብኣዊ ሓገዝ ከብጽሖም ከምዘይከኣለ ኣፍሊጡ። ኣመዓባብላ እቲ ኩናት መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም። ብለበዳ ኮቪድ-19 ብዝተናውሐ ምርጫ እውን ተሰሓሒቦም። ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ ምርጫ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ምርጫ ኣካይዱ። ዶ\/ር ኣቢይ እቲ ምርጫ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ። ብድሕር'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም። ብ03 ሕዳር ከኣ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ምስ ዝነበረ ናይ ሰሜን እዝ ጎንጺ ተኸሲቱ። ዶክተር ኣብይ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝተወስደ ስጉምቲ ብምኹናን፡ ሕጊ ንምኽባር ብዝብል ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ። ኣብ ትግራይ ዝጸንዕ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ህጹጽ ግዘ'ውን ኣዊጁ። ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ እውን ንመንግስቲ ህወሓት ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዝሸይም ሓቢሩ።፡፡","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55010061"} {"headline":"ኣብ ግብፂ፡ ሸሞንተ ኣኽበርቲ ሰላም ሲናይ ሞይቶም","content":"ኣብ ግብፂ ወሽመጥ ሲናይ፡ ሸሞንተ ሓይልታት ኣኽበርቲ ሰላም፡ ሄሊኮፕተር ድሕሪ ምውዳቓ ከምዝሞቱ ተገሊፁ። ዘይሻራዊ ዓለም-ለኻዊ ጥምረት ሓይልታትን ተዓዘብትን (MFO)፡ እታ ሄሊኮፕተር ኣብ ጥቓ ሻርም ኤል-ሼክ፡ ስሩዕ ልኡኻ ፈፂማ እንክትምለስ ከምዝተሓምሸሸትን፡ ትሽዓተ ሰባት ኣብታ ሄሊኮፕተር ከምዝነበሩን ኣፍሊጡ። ካብ መንጎ እቶም ግዳያት፡ ሽድሽተ ኣሜሪካውያን እንትኾኑ፡ ዜጋታት ፈረንሳይን ቼክን’ውን ይርከብዎም። ሓደ ኣሜሪካዊ ከኣ፡ ካብቲ ሓደጋ ብህይወት ድሒኑ፡ ናብ ሕክምና ከምዝተወሰደ ተገሊፁ። እዚ ብህይወት ዝተረፈ ኣሜሪካዊ፡ ናብ ናይ እስራኤል ሆስፒታል ብኣየር ከምዝተወሰደ፡ ኣሶሼትድ ፕረስ፡ ንሰብመዚ እስራኤልን ግብፅን ብምፅራሕ ፀብፂቡ። ‘MFO’ ንሓገዝ ግብፅን እስራኤልን ብምምስጋን፡ ጠንቂ እቲ ሓደጋ ንምፅራይ፡ ምርመራ ከምዝግበር ኣፍሊጡ ኣሎ። ምስ እስላማዊ ጉጅለ ርክብ ዘለዎም ጂሃዳውያን ሚሊሻታት፡ ኣብ ሲናይ ከምዝንቀሳቐሱ ይፍለጥ። ኣብ'ዚ ቀረባ ዓመታት ኣብ ዝነበሩ መጥቃዕትታት ድማ፡ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ግብፃውያን ኣካላት ፀጥታ ቀቲሎም እዮም። ዓለም-ለኻዊ ጥምረት ሓይልን ተዓዘብትን (MFO)፡ ኣብ 1979 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዝተፈረመ ውዕሊ ሰላም ስዒቡ፡ ኣብ መንጎ ግብፅን እስራኤልን ዝርከቡ ዶባት ንምቁፅፃር ዝተጣየሸ፡ ዘይሻራዊ ዓለም-ለኻዊ ሓይሊ እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ካብ 13 ሃገራት ዝተዋፅኡ 1154 ተወከልቲ ወተሃደራት እንክህልዎ፡ እቲ ዝዓበየ ሓይሊ ድማ፡ ካብ ኣሜሪካ፣ ኮሎምቢያ፣ ፊጂን ፈረንሳይን ዝተወከሉ እዮም። ኣሜሪካ ኣብዚ ጥምረት፡ 452 ኣባላት ኣለውዋ፤ ካብዚኦም ገሊኦም ኣገደስቲ ሓላፍነታት ዝሓዙ እዮም። ወተሃደራዊ ነፋሪት ናይ'ዚ ዓለም-ለኻዊ ጥምረት (MFO) እንክትሕምሸሽ፡ እዚ ፈላማይ ኣይኮነን። ኣብ 2007 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን’ውን፡ ካብ ሰሜናዊ ሲናይ ዝተበገሰት ናይ ፈረንሳይ ወተሃደራዊ ነፋሪት ተሓምሺሻ፡ ሸሞንተ ፈረንሳውያንን ሓደ ካናዳውን ሞይቶም እዮም።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54924415"} {"headline":"ኣሜሪካ ኣብ መሸጣ ኣጽዋር ኣብ ዓለም ዝነበራ መሪሕነት ከምዝዓቀበት ተገሊጹ","content":"ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ንሃገራት ዓለም ብመሸጣ ዘቕረበቶ መጠን ኣጽዋር ብ37 ሚኢታዊት ከምዝወሰኸ ሓደ ኣብ ስዊድን ዝርከብ ትካል መጽናዕቲ ሓቢሩ። ብዘይካ ኣሜሪካ ሃገራት ፈረንሳይን ጀርመንን እውን ናብ ካልኦት ሃገራት ብመሸጣ ዘቕርብኦ ኣጻዋር ውግእ መጠኑ ክውስኽ ምኽኣሉ ነቲ ብወገን ቻይናን ሩስያን ተፈጢሩ ዘሎ ሕጽረት ቀረብ ከምዝመልእ ይግለጽ። ኣብዚ እዋን ዘሎ መሸጣን ዕድግን ኣጽዋር ካብ እዋን ዝሑል ኲናት ናብዚ እቲ ዝለዓለ ምዃኑ ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብ ዓለም ካብ ዝተፈጸመ መሸጣ ኣጽዋር ውግእ ከኣ እቲ ዝለዓለ ኣብ ውሽጢ ማእከላይ ምብራቕ ዝተመዝገበ ኮይኑ’ሎ። ነቲ ዳህሳስ ኣብ ዘካየደ ትካል መጽናዕቲ ስቶክሆልም ላዕለዋይ ተመራማሪ ፒተር ዊዝማን “እቲ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተርኣየ ዝለዓለ ዕዳጋ ኣጽዋር ውግእ ተዛዚሙ ንምባል እዋኑ ኣይኣኸለን” ኢሉ። እቲ በዓል ሞያ ከምዝበሎ ኣብዚ እዋን ኣጋጢሙ ዘሎ ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ልዕሊ ቁጠባ ብሰንኪ ዘሕድሮ ጸቅጢ ሃገራት ነቶም ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ዝዕድግኦም ኣጽዋር ኲናት ምልስ ኢለን ምግምጋመን ኣይክተርፍን። “ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ኣብ ዝበጽሓሉ ዝሓለፈ ዓመት’ኳ ብዙሓት ሃገራት ወሰንቲ ዝበሃሉ ዓይነታት ኣጽዋር ንምዕዳግ ዓበይቲ ስምምዓት ተፈራሪመን’የን” ክብል ድማ የረድእ። እቲ ትካል መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ መጠን ናይቲ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝተሸጠ ኣጽዋር ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ክነጻጸር ከሎ ብዝነበሮ ኩነታት ናይ ምቕጻል ባህርያት ነይርዎ። ኣሜሪካ ናብ ደገ ካብ እትሸጦ ኣጽዋር ዳርጋ እቲ ፍርቂ ናብ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ዝቐረበ እዩ። ስዑዲ ዓረቢያ ድማ ካብ መሸጣ ኣጽዋር ኣሜሪካ ነቲ 24 ሚኢታዊት ትወስድ። ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣሜሪካ ኣብ ዓለም ዝነበራ ዕዳጋ ኣብ ዝወሰኸሉ እዋን 94 ዓማዊል ሃገራት ነይረንኣ። ነታ ሃገር ብምስዓብ ፈረንሳ ዝነበራ መሸጣ ኣጽዋር ብ 44 ሚኢታዊት ክውስኽ ከሎ ጀርመን ብወገና 21 ሚኢታዊት ዕብየት ዕዳጋ ኣመዝጊባ። እስራኤልን ደቡብ ኮርያን ምስተን ሰለስተ ሃገራት ክነጻጸራ ከለዋ ዝተሓተ መጠን ኣጽዋር ናብ ዕዳጋ ዘቐርባ’ኳ እንተኾና መሸጠአን ግን ብዝለዓለ መጠን’ዩ ወሲኹ። ጎንጽን ወጥርን ኣብ ዘይፍለዮ ማእኸላይ ምብራቕ ዝርከባ ሃገራት ዘቕርብኦ ጠለብ ዕድጊት ኣጽዋር ውግእ ብዝለዓለ መጠን እናወሰኸ ይርከብ። እተን ናብ ሃገራት ትሕቲ ሳህራ ኣፍሪቃ ኣጽዋር ብምቕራብ ዝፍለጣ ሃገራት ሩስያን ቻይናን መሸጠአን ከምዝነከየ እዩ ዝግለጽ። ሩስያ መሸጠኣ ብ22 ሚታዊት ክንክይ ከሎ እታ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ኣጽዋር ብምቕራብ ብሓምሻይ ደረጃ እትስራዕ ቻይና ከኣ መሸጠኣ ብ7.8 ሚኢታዊት ነክዩ’ሎ። ፓኪስታን፣ ባንግላዲሽን ኣልጀርያን እተን ቀንዲ ዓማዊል ኣጽዋር ቻይና ነይረን።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56405543"} {"headline":"ሰራዊት ኢትዮጵያ 'ናይ ሓደራ' መንግስቲ ክምስርቱ ንዝሓስቡ ስጉምቲ ከም ዝወስደሎም ኣጠንቂቑ","content":"ምክትል ኢታማጆር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ ክሳብ ምርጫ ዝካየድ ብዘይካ እዚ ዘሎ መንግስቲ ካልእ መንግስቲ ከምዘይህሉ ተዛሪቡ። ኣብ ልዕሊ እቶም ብዘይምርጫ \"መሰጋገሪ መንግስቲ\" ወይ \"ናይ ሓደራ መንግስቲ\" ንምምስራት ዝጽዕሩ ወገናት ዘይሕገመንግስታዊ ስለዝኾነ \"ስጉምቲ ክንወስድ ኢና\" ክብል'ውን ኣጠንቂቑ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ብስም \"ፌደራሊስት ሓይልታት\" ዝፍለጥ ፖለቲካዊ ምትእኽኻብ፡ ዕድመ ስልጣን መንግስቲ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ወርሒ ምስ ኣብቀዐ፡ ብኪኢላታት ዝቐውም \"ናይ ሓደራ መንግስቲ\" ክምስረት ዝጽውዕ መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንኣስታት ሓደ ዓመት ምንውሑ ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ'ዩ። ነቲ ምንዋሕ ዝተቓወመ ገዛኢ ሰልፊ ክልል ትግራይ ዝኾነ ህወሓት፡ ፌደራላዊ መንግስቲ \"ዘይሕጋዊ\" ዝበሎ ክልላዊ ምርጫ ኣካይዱ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ስልጣን ተቖጻጺሩ ይርከብ። ብድሕሪ ቅትለት ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝተወለዐ ናዕቢ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝርከቡ ከም ብዓል ጀዋር መሓመድን ልደቱ ኣያሌውን ዝበሉ ፖለቲከኛታት ብወገኖም፡ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት'ዮም ዝጽውዑ ነይሮም- ቅድሚ ምእሳሮም። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ሚኒስትሪ ሓለዋ ጥዕና ኢትዮጵያ፡ ነቲ ለበዳ ኣብ ግምት ብዘእተወ ኣገባብ ምርጫ ክካየድ ከምዝኽል ድሕሪ ምግላጹ፡ ፓርላማ ኢትዮጵያ ምርጫ ክካየድ ከም ዝኽእል ገሊጹ'ሎ። ኣቐዲሙ፡ ባይቶ ፌደረሽን ንዕድመ ፌደራላዊን ክልላውን መንግስታት እንተወሓደ ንሓደ ዓመት ክናዋሕ ምውሳኑ ይዝከር። ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ግን ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ የለን። ጀነራል ብርሃኑ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ክርከብ ዝኽእል ብመንገዲ ምርጫ ጥራይ ምዃኑ ተዛሪቡ። 'ኣባላት እቲ ሰራዊት ገንዘብ ህዝቢ ይምንዝዑ ኣለዉ' ንዝብል ክሲ ድማ፡ ሰራዊት ጥራይ ዘይኮነ ኩሎም ናይ ጸጥታ ኣካላት ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣብ ኢድ ሰባት ዝጸንሐ ገንዘብ ክሕዙ ሓላፍነት ከምዝተዋህቦም ብምጥቃስ፡ እቲ ገንዘብ ንምህናጽ ሓይልታት ጸጥታ ክውዕል'ዩ ከምዝተባህለ ኣረጋጊጹ። እቲ ውሳነ፡ ኣብታ ሃገር ስክፍታት ፈጢሩ ከምዘሎ ጸብጻባት ይገልጹ። ሓይልታት ጸጥታ ጥረ ገንዘብ ካብ ሰባት ይምንዝዑ ኣለዉ ዝብል ክስተት ክቐርብ ጸኒሑ'ዩ። ሓላፊ ስርሒታት ሰራዊት ምክልኻል ዝኾነ ጀነራል፡ ምስ ፋና ኣብዘካየዶ ቃለመሕትት፡ \"ሰራዊትና ዝኾነ ጫቑጫቕ ስለዝበለ ዝፈርስ፣ ዝብተንን ወገን ሒዙ ዝስለፍን ዓይነት ሰራዊት ኣይኮነን\" ክብል እቲ ፌደራላዊ ሰራዊት ኣብ ዘተኣማምን ኩነታት ከምዝርከብ ገሊጹ። \"ብናይ ፖለቲካ ፓርቲ፣ ናይ ሓደ ሓደ ኣክቲቭትታትን ጋዜጠኛታትን ጫቑጫቕ ዝናወጽ ዓይነት ሰራዊት ኣይኮነን። ሰራዊት ናይ ፖለቲካ ፓርቲ መሳርሒ ክኸውን ይክእልን'ዩ\" ኢሉ። ንሱ፡ ጋዜጠኛታት ብዛዕባ'ቲ ሰራዊት ክጽሕፉ የብሎምን ክብል'ውን ኣጠንቂቑ። \"ናይ ሰራዊት ምስጢር 'ካብ ውሽቲ ዝረኸብናዮ' እናበሉ ንጻላኢ ኣሕሊፎም ዝሃቡ ጋዜጠኛታት ኣለዉ\" ድሕሪ ምባል ካብ 20 ክሳብ 25 ዓመት ዘቕጽዕ ነገር ዝጸሓፉ ኣለዉ ክብል ከሲሱ። ብዛዕባ ታሪኽ ሂወት ይኹን ብቕዓት ዝኾነ ወታሃደራዊ ጀነራል ክጽሕፉ የብሎምን ክብል'ውን ኣፈራሪሑ'ሎ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54302576"} {"headline":"ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኣብ መቐለ ናብ ዝርከብ መዓስከር ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣትዮምዎ","content":"ትማሊ ተዂሲ ዝተሰምዓላ ከተማ መቐለ ሕጂ ኣብ ህዱእ ኩነታት ምህላዋ ተሓቢሩ። ይኹን እምበር ኣብታ ክልለ ጥቡቕ ጸጥታዊ ኩነታት ምህላው ተፈሊጡ። ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ እውን ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝኣተዉ ምንጭታትና ሓቢሮም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ “ህወሓት ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝርከብ መዓስከር ሰራዊት ኢትዮጵያ ጥቕዓት ፈጺሙ” ክብል ኣብ ፌስቡክ ጽሒፉ። እንተኾነ፡ መራሒ ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያ: ኣብ ልዕሊ ትግራይ \"ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ክወስድ ተዳልዩ’ሎ\" ክብል ከሲሱ ነይሩ። ኣብ’ታ ክልል፡ ሕጂ’ውን ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኢንተርኔትን ከም ተቋሪጹ እዩ ዘሎ። ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንሽድሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ እዩ። እንተኾነ፡ ኣብ’ዛ ክልል ቁጽጽር ዘይብሉ መንግስቲ ፌደራል ብኸመይ ነቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ከምዘፈጽሞ ንጹር ኣይኮነን።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54815436"} {"headline":"ምዕባለታት ኵናት መንግስታት ፌደራልን ትግራይን","content":"ትማሊ ምሸት (ሰሉስ) ኣብ ከባቢ ከተማ መቐለ፡ ንደቓይቕ ዝቐጸለ ድምጺ ተኹሲ ከምዝነበረ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም። እንተኾነ፡ መንቀሊ ናይ’ዚ ተኹሲን ዘብጸሖ ጉድኣትን ዛጊድ ኣይተፈለጠን። ሪፖርተር ቢቢሲ ትግርኛ ሎሚመዓልቲ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ተዓዚቡ እዩ። ኣብ ነቲ ትማሊ ኣብ መቐለን ገለ ኸባብታትን ትግራይ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልልን ሰሜን እዝን ብዝተላዕለ ጎንጺ፡ ኣብ መላእ ትግራይ ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኢንተርኔትን ተቛሪፁ እዩ። ኣብቲ ክልል ኣገልግሎት መብራህቲ ተቛሪጹ፣ ኩሎም ባንክታት’ውን ተዓፅዮም ኣለው። ቤት ፅሕፈት ኢትዮ ቴሌኮም ዝተዓጽወ ኾይኑ፡ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቤት ጽሕፈት ደው ኢሎም ይረኣዩ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ትማሊ “ህወሓት ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝርከብ መዓስከር ሰራዊት ኢትዮጵያ ጥቕዓት ፈጺሙ” ክብል ኣብ ፌስቡክ ጽሒፉ። ብፌስቡክ ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ “መንግስቲ፡ ህዝቢ ትግራይ ከይህሰ ብምሕላይ ኩናት ከይፍጠር ተዓጊሱ እዩ። ኩናት ግን ብድልየት ሓደ ወገን ጥራይ ክተርፍ ኣይክእልን” ድሕሪ ምባል፡ ምክልኻል ኢትዮጵያ “ብኮማንድ ፖስት እናተመርሐ፡ ሃገር ናይ ምድሓን ልኡኽቶ ከፈጽም ተኣዚዙ’ሎ” ኢሉ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሎሚመዓልቲ፡ ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዢን ቀሪቡ'ውን፡ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ናይ ምድሓን ሓላፍነት ከምዝተወሃቦ ኣፍሊጡ'ዩ። \"ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር መጥቃዕቲ ፈጺሙ እዩ። ሰሜን እዝ'ውን ክሰርቕ ፈቲኑ እዩ\" ብምባል ድማ ከሲሱ። \"እቲ ሰራዊት ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ትግራይ ዘሎ ነቲ ህዝቢ ንምሕላው እዩ። ህወሓት ግን፡ ከም ሓደ ባዕዳዊ ወራሪ ሪኡ ንምውቃዕን ንምውራርን ተልዒሉ\" ኢሉ፡ ኣብ ከባብታት ዳንሻ'ውን 'ውግእ ከምዝተኸፈተ’ ሓቢሩ። መንግስቲ ትግራይ ሎሚመዓልቲ ብክልላዊ ቴሌቪዥናት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ \"መንግስቲ ፌደራል ንህዝቢ ትግራይ ንምምብርካኽ ምስ ሓይልታት ወጻኢ ተሻሪኹ ሉኣላውነት ሃገር ኣሕሊፉ ይህብ ኣሎ\" ክብል ከሲሱ። ዝኸፍአ ኲናትን ዕንወትን ቅድሚ ምብጽሑ ከኣ ምስ ኣባላት ሰሜን እዝ ብሓባር ኮይኑ ክቃለስ ከምዝኾነ ኣፈሊጡ። መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ \"ሰራዊት ሰሜን እዚ፡ ምስ መንግስቲ ትግራይ ሓቢሩ ክሰርሕ ወሲኑ\" ክብል ብምግላጽ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብቲ ክልል ዝተኸልከሉ ዝብሃሉ መምርሒታት'ውን ኣሕሊፉ ኣሎ። በዚ መሰረት • ኣብ ውሽጢ ትግራይን፡ ናብ ትግራይን ዝግበር ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ሰራዊት ከምዝተኸልከለ • ናብ ትግራይ ዝግበር ዝኾነ ዓይነት በረራ ኣየር ከምዘይፍቀድ፡ • ነዚ ብምጥሓስ ብኣየር ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ጉድኣት ንምብጻሕ ዝግበር ምንቅስቓስ እንተጋጢሙ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ከምዝውሰድ • ኣዘዝትን ኣባላት ሰራዊት ካብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ይምጽኡ ግቡእ ክንክን ከምዝግበረሎም ኣብ ውሽጢ ትግራይ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ከምዘይህሉ ዝብሉ እዮም። ኣብ መቐለ ዝርከብ ሪፖርተር ቢቢሲ ትግርኛ፡ ትማሊ ተኹሲ ዝተሰምዓላ ከተማ መቐለ፡ ሕዚ ኣብ ህዱእ ኩነታት ከምዘላ ይገልጽ። ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ እውን ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝኣተዉ ምንጭታትና ሓቢሮም። ነቲ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ትግራይን ፌደራልን ዝተልዓለ ኵናት ስዒቡ፡ ኣብ መላእ ትግራይ ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኢንተርኔትን ተቛሪፁ። ካብ ሎሚ ወጋሕታ ኣትሒዙ ድማ ኣብቲ ክልል ኣገልግሎት መብራህቲ ተቛሪጹ፣ ኩሎም ባንክታት ተዓፅዮም ኣለው።ቤት-ፅሕፈት ኢትዮ ቴሌኮም ዝተዓጽወ ኾይኑ፡ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቤት ጽሕፈት ደው ኢሎም ይረኣዩ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ። ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ምንቅስቃስ ካብን ናብን ከም ዘይፍቀድ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።ኣብ ከተማ መቐለ፡ ህዝቢ ብብዝሒ ብእግሩ ክጉዓዝ ከምዝረእየ ሪፖርተር ቢቢሲ ትዕዝብቱ ገሊጹ። በቲ ኩነታት ህዝቢ እንታይ ከም ዘጋጠመ ግር ኢልዎ ከም ዘሎ ድማ ሓቢሩ። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ፡ ፍሉይ ሓይልን ምልሻን ትግራይ፡ ካብ ትማሊ ምሸት ሰዓት 10፡30 (4፡30 ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ጀሚሩ፡ ኣብ መዓስከራት ሰሜናዊ እዚ ሓይልታት ምክልኻል ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቁጣታት መዐደሊ ነዳዲን ዝተፈላለዩ ትካላት መሰረተ ልምዓትን ዝተወሃሃደ መጥቃዕቲ ከምዝፈነዉ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ክልል ኣምሓራ ሓቢሩ። ፍሉይ ሓይሊ ክልል ትግራይ ኣብቲ ክልል ንዝርከቡ ናይ ምክልኻል ኣዘዝቲ ከይንቀሳቐሱ ብምእዛዝ መጥቃዕቲ ከምዝጀመሩ፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ትግራይ፡ ንሰራዊት ምክልኻል ዕጥቁ ከውርድ ከምዝሓተቱዎ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ እውን ኣብ ሶሮቃን ቅራቅርን ዝብሃል ቦታታት ፈተነ መጥቃዕቲ ከምዝነበረን ኣቶ ተመስገን ገሊጹ። እንተኾነ እቲ ሓበሬታ ገና ብዝኾነ ገለልተኛ ኣካል ኣይተጻረየን። ኣቶ ተመስገን ኣብ ካልእ ከባቢታት እቲ ክልል’ውን መጥቃዕቲ ከምዘሎ፡ ኣብ ከበባ ኣትዩ ዝነበረ ከበድቲ ብረት ናጻ ብምውጻእ ንውግእ ድሉው ገይሮሞ ከምዘለ’ውን እውን ጠቂሱ'ሎ። ምስ ኮማንድ ፖስት ሓይልታት ምክልኻል ፈደራል ብውህደት ይሰርሑ ከምዘለዉ ሓቢሩ።ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ኩሎም ኣካላት ጸጥታ ንዝመጽእ ትእዛዝ ተቀቢሎም ተግባራዊ ንኽገብሩ ድሉዋት ክኾኑ እውን እቲ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ጸዊዑ። ኣቶ ተመስገን ኩሎም ተቃወምቲ ሰልፍታት ኣብ ጎኒ ፌዴራል መንግስቲ ደው ክብሉን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ሰራዊት ተፋንዮም ዝጸንሑ ኣባላት’ውን፡ መንግስቲ እቲ ክልል ናብ መሳርዖም ክምለሱ ጻዊዒት ከምዝቅረበሎም ኣቶ ተመስገን ሓቢሩ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ካብ ፌዴራል መንግስቲ ወረራ ይፍጸሞ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ። ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንሽድሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ። እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ መዓልቲ 25 ጥቅምቲ 2013 ዓም ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፡ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ፌዴራል ዓንቀጽ 93\/1\/ሀ ነቲ ህጹጽ ኣዋጅ ክድንግግ ከም ዝተገደደ ኣፍሊጡ። ነዚ ኣዋጅ ዝፍጽም ብኢታ ማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ዝምራሕ ግበረ ሓይሊ ከም ዝተጣየሸን፡ ካልኦት ኣካላት ከም ዘሳትፉን'ውን ይገልጽ።እቲ ግብረ-ሓይሊ ተጸዋዕነቱ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ይኸውን ተባሂሉ ኣሎ። እቲ ኣዋጅ ንእዋናዊ ኩነታት እቲ ክልል ተደሪኹ ከም ዝወጽአ ዝገልጽ እቲ ቤት ምኽሪ፡ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ንምሕላው እዩ ኢሉ። መንግስቲ ትግራይ፡ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስትርን ክልቲኦም ኣብያተ ምኽርን ካብ 25 መስከረም 2013 ዓ.ም ንደሓር ከም ህልው ኣይቆጽሮን ምባሉ ይፍለጥ። በቶም ኣብያተ ምኽሪ ኾነ በቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝመሓላለፍ ዝኾነ ይኹን ውሳነታት ድማ፡ በቲ ክልላዊ መንግስቲ ተቐባልነት የብሉን ኢሉ'ዩ። ክልቲኦም መንግስታት፡ ድሕሪ 25 መስከረም ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ዝተኸላልኡ ኮይኖም፡ ኣብቲ ክልል ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርግጋዕ፡ ብስሩዕ መንግስታዊ ኣሰራርሓ ምፍጻም ኣብ ዘይከኣለሉ ብርኪ ምብጽሑ ድማ መግለጺ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሓቢሩ። ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ትግራይ፡ ብኽልቲኦም ወገናት ዝውሰድ ዘሎ ግብረ መልሲታት ብቅጽበት ክሃድእ ጸዊዑ። እቲ እምባሲ ብናይ ትዊተር ገጽ ኣብ ዘውጽኦ ሓጺር ጽሑፍ፡ ኩሎም ንድሕነትን ውሕስናን ዜጋታት ቀዳምነት ክህቡ ከም ዝግናባ ኣትሪሩ ተላብዩ። ብተመሳሳሊ ኤምባሲ እንግሊዝ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ክልቲኦም ወገናት ሓይሊ ካብ ምጥቃም ክቑጠቡን ብፍላይ ንጹሃን ዜጋታት ከይጉድኡን ተማሒጺኑ።እቲ ኤምባሲ፡ ሰራሕተኛታቱ ናብ ከባብታት ትግራይን ሰሜን ኣምሓራን ከይጉዓዙ ኣጊዱ ኣሎ። ቅድም ክብል፡ ክራይስስ ግሩፕ ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል፡ ክልቲኦም ወገናት ዘለዎም ኣፈላላይ ብዘተ ክፈትሑ እንተዘይክኢሎም፡ ናብ ኲናት ክኣትው ከም ዝኽእሉ ኣጠንቂቁ ነይሩ። ሕብረት ኤውሮጳ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ትካላትን'ውን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ንክፍታሕ ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ክካየድ ከተሓሳስቡ ቀንዮም።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54816197"} {"headline":"ሳርስ የብቅዕ'፡ ኣብ ልዕሊ ፕሬዝደንት ናይጄሪያ ጸቕጢ ዘሕደረ ተቓውሞ መናእሰይ","content":"ናይጄሪያውያን፡ ንመዓልታት ሳርስ ብዝብል ዝፍለጥን ስርቂ ከወግድ ዝተጣየሸን ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ክውገድ ይጠልቡ። እዛ ሃገር ናጽነታ ካብ እትረክብ ንደሓር ኣብ ዘለው 60 ዓመታት ዘለዋ ምሕደራ ኣዝዩ ድኹም ስለ ዝኾነ፡ ዜጋታታ ዕግበት የብሎምን። ፕሬዝደንት መሓሙዱ ቡሃሪ ትማሊ እቲ ፍሉይ ሓይሊ ከም ዝተፈረሰ እንተገለጸ'ውን ናይጄሪያውያን ግን ነዚ ውሳነ ኣይኣመኑሉን። እቲ ከም ማይ ዝጸምኦም ፍትሒ ንክረኽቡ ሙሉእ መሓውር ፖሊስ እታ ሃገር ለውጢ ክገበረሉን ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ሳርስ ንጥፍኣቶም ተሓተትቲ ክኾኑን ይሓቱ ኣለው። እቲ ተቓውሞ ከኣ፡ ካብ ሌጎስ ሓሊፉ ኣብ ኣውሮፓን ካናዳን በጺሑ። እቲ ጉጅለ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ከም ዝፍጽም፣ ንዜጋታት ከም ዘሳቕን ከም ዝቐትልን ተቓወምቲ ይገልጹ። ካብዚ ብዝብገስ፡ እቲ ንዝሓለፉ ሽዱሽተ መዓልታት ዝቐጸለ ተቓውሞ ልዕሊ እዚ ጠለብ ኮይኑ፡ ኣዐርዮም ዕግበት ዝስኣኑ መናእሰይ እታ ሃገር ናይ ውሽጦም ዝገልጽሉ ሃዋህው ኮይኑ ኣሎ። ኣካላት ጸጥታ ነዞም ተቓወምቲ ገበነኛታት'ኳ እንተበሉዎም፡ እቲ ሓቂ ግን ካብ መንግስቲ እታ ሃገር'ውን እንተኾነ ዝኾነ ዓይነት ሓገዝ ዘይደልዩ ርሂጸ በላዕ እዮም። መብዛሕትኦም ዕድሚኦም ካብ 18 ክሳብ 24 ዓመት ኮይኖም፡ ኣብ ገዝኦም ሓይሊ መብራህቲ ርእዮም ዘይፈልጡ፣ ኣብታ ሃገር ናጻ ዕድል ትምህርቲ ዘይረኸቡን ብምኽንያት ተደጋጋሚ አድማ መምሃራን ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቶም ዝተኾለፈን ዝተናውሐን እዮም። እቲ ኣብ ልዕሊ ዘርኣዩዎ ተስፋ ምቑራጽ ነጸብራቕ ኣብ መንግስቲ እታ ሃገር ዘለዎም ቀቢጸ ተስፋ እዩ። \"እዛ ሃገር፡ ኣነ ካብ ዝውለድ እንታይ ረቢሓትኒ?\" ትብል ጓል 22 ዓመት ቪክቶሪያ ፓንግ። ቪክቶሪያ፡ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርታ ዝወድአት ኮይና ኣብ ቅድሚት እቲ ዓመጽ ዝመርሑ ዘላ ጓል ኣንስተይቲ እያ። \"ወለድና፡ ኣብ ዝኾነ እዋን 'እቲ ኩነታት ጽቡቕ'ዩ ነይሩ' ይብሉና፤ ግን ርኢና ይንፈልጥን\" ትብል። ስለምንታይ'ዮም ሳርስ ተጸሊኦም? ኣብ ናይጄሪያ፡ ፖሊስ ብልሽውና ክፍጽሙ፣ ኣብ ልዕሊ ሰባት ክጭክኑን ንሰብኣዊ መሰላት ዘለዎም ክብሪ ኣዝዩ ውሑድ ክኸውንን ልሙድ እዩ። እንተኾነ፡ ናይጄሪያውያን ንሳርስ ዘለዎም ስምዒት ዝተፈለየ'ዩ፤ ብፍላይ መናእሰይ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብሰነ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ፍሉይ ሓይሊ ሳርስ ካብ ወርሒ ጥሪ 2017 ክሳብ ግንቦት 2020 ብውሑድ ኣብ ልዕሊ 82 ሰባት ስቅያት፣ ሕማቕ ኣተሓሕዛን ብዘይ ፍርዲ ማእሰርትን ፈጺሞም ይብል። \"ሰበ ስልጣን፡ ብ2017 ዝወጽአ ሕጊ ጸረ ምስቓይ ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊ በዚ ተግባር ዝጥርጠሩን ካብ ጥርጡራት ሓበሬታ ንምርካብ ከምዘሳቕዩን ካልእ በደል ከም ዝፍጽሙን ዘረጋግጹ ሰነዳት እናሃለው ዋላ ሓደ መኮንን እቲ ጉጅለ ተሓታቲ ኣይገበሩን\" ኢሉ። ኣባላት ሳርስ፡ ጽቡቕ መኪናን ላፕቶፕን ዝሕዙ፣ ውቃጦን ዝተለቛቖመ ጸጉርን ዘለዎም መናእሰይ እንትርእዩ ዳርጋ ዝብላዕ ዝረኸቡ። ብኣነባብርኦም ፍልይ ዝበሉን ምስቲ ኣኽራሪ ባህሊ እታ ሃገር ዘይከይድን ዝመስሉ ከኣ፡ \"ያሁ ቦይስ\" ወይ ድማ \"ጠለፍቲ ኢንተርነት\" ተባሂሎም ይጽውዑ። እዚ፡ ነቶም ስርሖም ግድን ምስ ኮምፒዩተር ክውዕሉ ዝገብር ከይተረፈ ዝሃቡዎም ጠቐነ እዩ። \"ሓደ መዓልቲ ኣብ ገዛይ ኮይነ እናሰራሕኩ ከለኹ፡ ፖሊስ መጺኦም ወሲዶምኒ\" ይብል ወዲ 22 ዓመት ክኢላ ምምዕባል ድረ ገጽ ብራይት ቼፉ። ወዲ 77 ዓመት ፕሬዝደንት መሓሙዱ ቡሃሪ፡ ኣብ ሕሉፍ ንመናእሰይአ እታ ሃገር \"ሃካያት\" ኢሉዎም ነይሩ። እንተኾነ፡ ኣብ ክንዲ ንሰናይ ምሕደራ ዝቃለሱ ብኩዕሶ እግሪ፣ ማሕበራዊ ሚዲያን ዝተፈላለዩ ምድላዋት ቴሌቪዥንን ዝተጸመዱ እዮም ተባሂሎም ይንቀፉ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን፡ ኣብ ልዕሊ ፕሬዝደንት እታ ሃገር ጸቕጢ ብምሕዳር ንጉጅለ ሳርስ ኣፍሪሱ ኣብ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ከም ዝበተኖ ክዛረብ ምርኣይ፡ መናእሰይ ናይጄሪያ ዘለዎም ሓይሊ እንታይ ምዃኑ ክርእዩ ኣኽኢሉዎም ኣሎ። '#EndSARS' ወይ ድማ ሳርስ የብቅዕ፡ ዝብል ጎስጓስ ነዞም ዝስዕቡ ሓሙሽቶ ሕቶታት የልዕል ፖሊ ሌጎስ፡ ንኽልተ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ሓደ ሆቴል ጎቲቶም ብምውጻእ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ክትኩሱ ከለው ዘርኢ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ምስ ተዘርግሐ፡ እቲ ተቓውሞ ተላዒሉ። ብዙሓት ውልቀሰባት'ውን ብፖሊስ ከም ዝተንገላትዑን ከም ዝተሳቐዩን ክዛረቡ ጀሚሮም። ማእከል ንግዲ ዝኾነት ሌጎስ፡ ጎደናታታ ተዓጽዮም ድምጺ ተቓውሞ ዝጋውሐሎም ኮይኖም ቀንዮም። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ናዱካ ኦርጂኖሞ ከም ዝብሎ፡ ኣባላት ሳርስ መብዛሕትኡ ግዜ ንመናእሰይ እዮም ዝኸሱ። ብፍላይ፡ 'ሕንቁቓት' ዝባሃሉ መናእሰይ ኣብ ዓይኒ ኣባላት ሳርስ እንተኣትዮም፡ ገንዘብ ከይተቐበሉ ኣይፈትሑዎምን። ገሊኦም ናይ ሓሶት ክሲ ተፈሪዱዎም ይእሰሩ፤ ዝተቐትሉ'ውን ኣለው። ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት (2020) ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብውሑድ 82 ሰባት ተሳቕዮምን ተቐቲሎምን'ዮም ዝብል መግለጺ ከውጽእ እንከሎ፡ መብዛሕትኦም ዕድሚኦም ካብ 18 ክሳብ 35 ዓመት ከም ዝኾኑን ካብ ድኻ ስድራ ቤት ዝተረኸቡ ደቂ ተባዕትዮ ምዃኖምን ገሊጹ እዩ። #EndSARS ዝብል ሃሽታግ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት እዩ ጀሚሩ። ሕጂ ድማ ሰሙን ገይሩ'ሎ። ቅድም ኢሉ፡ መሓውር ፖሊስ እታ ሃገር ንምምሕያሽ ጻዕሪ ተገይሩ ነይሩ። ብ2018 ምኽትል ፕሬዝደንት የሚ ኦሲንባጆ ሳርስ ንክፈርስ ውሳነ ኣሕሊፉ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግን ኣብ ውሽጢ እቲ ጉጅለ ምምሕያሽ ዝገብር ኣካል ተጣይሹ፤ ዜጋታት ብዝቢዞም'ዮም ዝተባህሉ ኣባላት ክስጎጉን ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ድማ ሓሳብ ቐሪቡ። ኣብቲ እዋን ፕሬዝደንት መሓሙዱ ቡሃሪ እቲ ሓላፊ ሰራዊት ፖሊስ ዝሃቦ ሓሳብ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ተግባራዊ ክኸውን መምርሒ ሂቡ። ግን ድማ እቲ ለውጢ ብዙሕ ዘዕግብ ከም ዘይነበረ ተዓዘብቲ ይገልጹ። ሳርስ፡ ብ2017'ውን ምምሕያሽ ክግበረሉ ተወሲኑ ነይሩ'ዩ፤ ሽዑ ሓደ ውልቀሰብ ብፖሊስ ክቕተል እንከሎ ዘርኢ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ምስተዘርግሐ'ዩ ተወሲኑ ነይሩ። ኣብ 2010'ውን እቲ ጉጅለ ናይ ሳተላይት ሓለፍቲ ክሰጎም ኣለዎ ተባሂሉ ነይሩ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54520011"} {"headline":"ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢትዮጵያ ኣብ ምንታይ ደረጃ ይርከብ?","content":"ኣብዚ ዓመት'ዚ ኣብ ዝወጸ ደረጃ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሃገራት ዓለም፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ 6ይ ደራጃ ተሰሪዓ'ላ። ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት ብምእካብ ዓመታዊ ጸብጻብ ዘቕርብ 'ግሎባል ፋየር ፓወር' ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ዝርዝር፡ 35 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣትየን ኣለዋ። ኢትዮጵያ፡ ብደረጃ ዓለም'ውን ኣብ መበል 60 ሰፊራ'ላ። ብደረጃ ኣፍሪቃ፡ ግብጺ፡ ኣልጀርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ናይጀርያ፥ ሞሮኮን ኢትዮጵያን፡ ተኸታቲልን ካብ ቀዳማይ ክሳብን 6ይ ደረጃ ሒዘን ኣለዋ። ጎረቤት ሃገር ሱዳን ድማ ኣብ መበል 10ይ ደረጃ ሰሪዕዋ'ሎ። ግሎባል ፋየር ፓወር፡ ነቲ ደረጃታት ኣብ ምስራዕ ልዕሊ 50 ረቛሒታት ተጠቒሙ ንወተሃደራዊ ሓይሊ ሃገራት ዝምልከት ደቂቕ ሓበሬታ ኣውጺኡ። ኣብቲ 138 ሃገራት ዓለም ተጠቒሰናሉ ዘለዋ ደረጃ፡ እተን ፍሉጣት ሓያላት ሃገራት ኣብ ላዕሊ ተሰሪዐን ኣለዋ። ኣመሪካ፡ ሩስያ፡ ቻይና፥ ህንዲ፥ ጃፓንን ደቡብ ኮርያን ተኸታቲለን ካብ ቀዳማይ ክሳብ 6ይ ደረጃ ሒዘን ይርከባ። ሃገራት ኣፍሪቃ ብዓለም ደረጃ፡ ግብጺ ኣብ መበል 13፡ ኢትዮጵያ ኣብ መበል 60 ሱዳን ድማ ኣብ መበል 77 ተሰሪዐን። ካብቶም ኣብ ግምት ዝኣተዉ ገለ ካብ ቀንዲ ረቛሒታት፡ ሓይሊ ሰብን ወታሃደራዊ ዕጥቅን ምዃኖም ተፈሊጡ። ብዝሒ ህዝቢ፡ ገንዘባዊ ዓቕሚ፡ ቀረብን ኣቀማምጣ መሬትን'ውን ካብቶም 50 ረቛሒታት'ዮም። ኣብቲ ዝወጸ ጸብጻብ፡ ኢትዮጵያ 108 ሚልዮን ህዝቢን 162,000 ብዝሒ ሰራዊት፡ 24 ነፈርቲ ውግእ፡ 8 ተዋጋእቲ ሄለኮፕተራት፥ 365 ታንክታትን 130 ድሩዓት ተሸከርከርቲን ከምዘለዋ ተጠቒሱ'ሎ። ብዘይካ'ዚ፡ 480 ከበድቲ ብረታት፡ 180 መተኮሲ ሮኬታት ከምኡ'ውን 65 ፈኮስቲ መዳፍዕን ትውንን። ብወታሃደራዊ ባጀት ክዕቀን እንከሎ ድማ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት 520 ሚልዮን ዶላር ተጥፍእ። እታ ኣብ ኣፍሪቃ ዝሓየለትን ልዕሊ 104 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋን ሃገረ ግብጺ ብወገና፡ ብዝሒ ሰራዊታ ኣስታት ሓደ ሚልዮን (930,000) ከኸውን እንከሎ፡ 250 ነፈርቲ ውግእ፡ 91 ተዋጋእቲ ሄለኮፕተራትን፡ 3,735 ታንክታትን ትውንን። ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ሰራዊት እታ ሃገር 2,200 ከበድቲ ብረታትን ልዕሊ 11,000 ድሩዓት መካይንን ኣለዎ። ኣብ ዓመት ከኣ ግብጺ 10 ቢልዮን ዶላር ወታሃደራዊ ባጀት ከም ትስልዕ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ። እታ ብደረጃ ዓለም ኣብ መብል 77 ትርከብ ሱዳን ብወገና፡ ልዕሊ 45 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኮይና፡ ብዝሒ ሰራዊታ 190,000 ይበጽሕ። ወታሃደራዊ ዕጥቂ ሰራዊታ ድማ፡ 45 ነፈርቲ ውግእ፡ 43 ናይ ውግእ ሄለኮፕተራት፡ 830 ታንክታትን 450 ድሩዓት ተሽከርከርትን የጠቓልል። ዓመታዊ ወታሃደራዊ ባጀታ ድማ 4 ቢልዮን ዶላር ምዃኑ ግሎባል ፋየር ፓወር ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ'ሎ። ካብ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት፡ ብደረጃ ኣፍሪቃ፡ ኬንያ መበል 12፡ ደቡብ ሱዳን መበል 22፡ ሶማልያ መበል 34 ተሰሪዐን ኣለዋ። ኤርትራ ግን ካብተን ኣብቲ ዝርዝር ዘይኣተዋ 19 ሃገራት ኣፍሪቃ እያ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ተልእኾታት ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ብምስታፍ ዝለዓለ ኣበርክቶ ዘለዎ ምዃኑ ይፍለጥ። ኢትዮጵያ ብብዝሒ ኣብ ምዕቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ዝተዋፈሩ ወታሃደራት ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ትስራዕ ሃገር'ያ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ፡ ኣብ ኣወዳድባ ናይቲ ሰራዊት ለውጥታት ብምግባር ብዕጥቅን ስልጠናን ዘመናዊ ንምግባሩ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊጹ ነይሩ'ዩ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55729056"} {"headline":"ኤርትራ፡ ብዛዕባ መደበር 'ቃኘው' እንታይ ትፈልጡ?","content":"ንብዙሓት ኤርትራውያን፡ \"ቃኘው ስቴሽን\" ዝበሃል ስም እንክለዓል እቲ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዓስኪሮሙሉ ዝነበሩ ግዜን ቦታን የዘክሮም ይኸውን። ኣብ መጋቢት 1941 ምምሕዳር ሩዝቨልት፡ ነቶም ኣብ ሊብያን ግብጽን ኣንጻር ሰራዊት ጀርመን ዝዋግኡ ዝነበሩ ወተሃደራት ብሪጣንያ ንምድጋፍ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ብ\"ለንድ-ሊዝ\" ዝፍለጥ፡ ፕሮግራም ወተሃደራዊ ሓገዝ ንኽትረክብ ፍቓድ ኣሕለፈ። ብድሕሪኡ፡ ሓይልታት ብሪጣንያ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ኣስመራ፡ ዝርከብ ናይ ቀደም መደበር መራኸቢታት ጣልያን - መደበር ራድዮ ማሪና - አሐዲሶም ክጥቀምሉ ከምዝጀመሩ ሰነዳት ይሕብሩ። ኢንሳይክሎፔድያ ኢትዮፒካ'ውን መዓስከር ቃኘው፡ ሰራዊት እንግሊዝ ንኤርትራ ምስ ኣተወ ነቲ ብራድዮ ማሪና ዝፍለጥ ዝነበረ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ጣልያን፡ ከመይ ኢሉ ናብ መንግስቲ ኣሜርካ ከም ዝተሰጋገረ ይገልጾ'ዩ፣ እዚ ብ1943 ምዃኑ'ዩ። መንግስቲ ኣሜሪካ ኸኣ ነቲ መደበር ኣተዓራርዮም ከም ዝተጠቕምሉ ይሕብር። ኣብ 2ይ ዉግእ ዓለም መንግስቲ ኣሜሪካ ንወፈራታት እንግሊዝ ንክሕግዝ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘድሊ ወትሃደራዊ ስርሓት ንምክያድ ስትራተጂካዊ ቦታ ኣብ ዘናድየሉ ዝነበረ እዋን ንኤርትራ መረጸ። ምኽንያቱ ኤርትራ ኣብ በሪኽ ቦታ፡ ጥቃ ገምገም ባሕሪ፡ ንማእከላይ ምብራቕ ንምቍጽጻር ብልጫታት ስለ ዝነበራ። እቲ 'ቃኘው' (Kagnew) ዝብል ስም ድሓር'ዩ መጺኡ። ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ 'ቃኘው' ዚብል ስም ክልተ ትርጕም ኣሎዎ። እቲ ቀዳማይ፡ ብ1896፡ ኣብ ጊዜ ዉግእ ዓድዋ ምዃኑ'ዩ፡ ሓደ ተወጣሓይ ዘይነበሮ ናይ ዉግእ ፈረስ ፈጽ ኢሉ ኣብ ድፋዓት ጣልያን ጠኒኑ ብምእታው በታተኖም ይበሃል። እቲ ካልኣይ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለማ 50'ታት ኣብ ኮርያ ዘሰለፈቶ ቦጦሎኒ ብ 'ቃኘው' ኢዩ ዝፍለጥ ነይሩ። ሚከላ ሮንግ ዝተባህለት ጸሓፊት ኣብ'ቲ ብዛዕባ ኤርትራ ዝጸሓፈቶ መጽሓፋ (I didn't do it for you …) ብዛዕባ ተራ ቃኘው ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ኤምበራጦራዊት ኢትዮጵያ'ውን ከይተረፈ ብመጽናዕቲ ዝተሰነየ ታሪኽ ኣቕሪባ'ያ። ቃኘው ኣብ ኤርትራ ብምትካሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዙሕ ረብሓታት ከም ዝነበሮ'ውን ብሰፊሑ ገሊጻ። ቃኘው፡ ብተዘዋዋርን ቀጥታውን ኣገባብ፡ ኢትዮጵያ ናብ ዘመናዊት ሃገር ንክትሰጋገር ሓጊዙ'ዩ። እዚ ማለት፡ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ስምምዕ ብምእታው፡ ወትሃደራታ ኣብ ምስልጣን፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ምትካል፡ ዘመናዊ ትምህርቲ ኣብ ምትእትታው፡ በብዓይነቶም ትካላት (ምክልኻል ኣንበጣ፡ ቨትረናርዮ ስርሓት፡ ወፍሪ ሕርሻታት ... ወዘተ.) ኣብ ምትካል ተራ ነይሩዎ። \"ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሃጸይ ሃይለስላሴ ብ1960 ብመንግስቱ ንዋይ (ንኣባላት ክቡር ዘብዐኛ ሒዙ) ዝተፈጸመ ናይ ዕልዋ ፈተነ፡ ቃኘው ብዝተጻወቶ ተራ'ዩ ክድሕን ክኢሉ\" ትብል ሚከላ ሮንግ። እቲ ፈተነ ዝተኻየደሉ እዋን ጃንሆይ ኣብ ብራዚል'ዮም ነይሮም። ኵሉ መራኸቢታት ተዓጽዩ ስለ ዝነበረ ቃኘው፡ ብእሙናት ጀነራላት ኢትዮጵያ ኣቢሉ ዘድሊ ሓበሬታት ኣብ ምስርጫው ተራ ነይሩዎ። ጃንሆይ ብላይበርያ ኣቢሎም ኣብ ኣስመራ ምስ ኣተዉ፡ ኣብ ቃኘው ተዓቕቡ፡ ብሓገዝ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ እቲ ዘድሊ ሓገዝ ከኣ ተገብረሎም። እቲ ታሪኽ ንምሕጻሩ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ነቶም ዕልዋተኛታት ንምድኻም ላዕልን-ታሕትን ብምባል ንጃንሆይ ኣብ ስልጣኖም ከም ዝምለሱ ገይሩ'ዩ። እቲ ብ1953፡ ሓደ ዓመት ድሕሪ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኢትዮጵያን ሕ.መ.ኣ.ን ብዕሊ ኣብ ስምምዕ ኣተዋ - ንቃኘው ን25 ዓመታት ንምክራይ። ብሓጺሩ ጸብጻብ ሚከላ ሮንግ ከም ዘርኣዮ፡ ኢትዮጵያ ካብ 1946 - 1972 $180 ሚልዮን ዶላር ወትሃደራዊ ሓገዝ ክትረክብ ከኣለት። ናብ ተራ ቃኘው ኣብ ኤርትራ ክንምለስ፡ ከምዚ ሎሚ ከይተረስዐ፡ ተራ መደበር ቃኘው ኣብ ኤርትራ ኣዝዩ ዓቢ'ዩ ነይሩ። እቶም ጌና ብህይወቶም ዘሎዉ ደቂ-ኣስመራ ብዛዕባ ቃኘው ዘለዎም ዕላል ብዙሕ'ዩ። ሓደ ካብኦም ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ዳዊት መስፍን ዝተባህለ ተመራማሪ ታሪኽ'ዩ። \"ኣብ 50ታት፡ 60ታት፡ ቀዳማይ ፍርቂ 70ታት ቃኘው ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ሓደ ካብ'ቶም ዓበይቲ ወሃብ ስራሕ'ዩ ነይሩ\" ይብል ዳዊት። \"ብዙሓት ሰራሕተኛታት ተጠቒሞም'ዮም - ከም ሰራሕተኛታት ቤት-ጽሕፈት፡ ቤት-ዕዮ (ጸረብቲ ሓጺንን ዕንጸይት፡ ኤለክትሪከኛታት፡ ነደቕቲ ... ወዘተ)፡ ዘወርቲ መካይን፡ ተለኣኣኽቲ፡ ዘብዐኛታት፡ ሰራሕተኛታት ገዛ (ደቂ ተባዕትዮ)፡ ኣለዓዓልቲ ገዛ (ደቂ'ንስትዮ) ከምኡ'ውን ምስ ቃኘው ዝተኣሳሰሩ ካልኦት ስርሓት ዝሰርሑ ወፊሮም ዝኣትዉሉ ዘበን ነበረ\" ይብል። \"እዚ ዅሉ ክከናወን ኣብ ወሰናስን ዝነበረ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ'ውን ተጠቒሙ'ዩ ... ከም ሰብ ድኳን፡ ሰብ ባራት፡ ኣካረይቲ ገዛ ዝኣመሰሉ። ብዙሓት ኤርትራውያን'ውን ተሞኵሮ ናይ ስራሕን ጥበብን ቀሲሞም'' ይብል ዳዊት መስፍን። ቃኘው፡ ስፍሓቱ 14 ትርብዒት ኪ.ሜ'ዩ ኰይኑ 185 ህንጻታትን 40 ኪ.ሜ ዝንውሓቶም ጽርግያታትን ነይሩዎ። ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብትሪኮላታ ዝተሓጽሩ ሸሞንተ ንኡሳን መደበራት ተኸፋፊሉ ነበረ። ንሳቶም ብ 'ትራክት' ይፍለጡ ነበሩ (Tract A - Tract H)። ትራክት-ኤይ ኣብ ዉሽጢ ኣስመራ ዀይኑ ብራድዮ ማሪና ዝፍለጥ ቦታ'ዩ ነይሩ፣ ሕጂ ሰፈር ተጋደልቲ\/ወትሃደራት ኰይኑ'ሎ። ትራክት-ቢ ናይ 'ስትራትኮም' መደበር'ዩ ነይሩ። 'ስትራትኮም' ምስ ግትኣተ-ዉግእ ዝተኣሳሰር መደበር ምዃኑ'ዩ ። ትራክት-ቢ ኣብ ጥቃ መዕረፎ ነፈርቲ ኰይኑ ዓበይቲ ራዳር ተተኺሉዎ ዝነበረ ቦታ'ዩ ነይሩ። ትራክት-ሲ ጥቃ መደበር ቃኘው (ትራክት-ኢ፡ እቲ ዝዓበየ ኣብ ዉሽጢ ኣስመራ ዝርከብ መደበር ምዃኑ'ዩ) ኣዝዮም ነዋሕቲ ኣንተናታት ዝተዘርኦ ናይ ራድዮ መልእኽትታት ዝዋፈርሉ ቦታ ነበረ። ትራክት-ዲ፡ ጥቓ ሓጽቢ ዝነበረ መደበር፡ ናይ 'ስትራትኮም' ትራንስሚተር ተተኺሉዎ ዝነበረ ቦታ፡ ብ1972 ብተጋደልቲ ከም ዝዓኑ ተገብረ። ትራክት-ኢ፡ ኣብ ምዕራብ ትራክት-ኤይ ዝርከብ ቦታ፡ እቲ ዝዓበየ ቀንድን መደበር'ዩ ነይሩ። ብ1953 እቲ 'ቃኘው ስተሽን' ዚብል ስም ዝለገቦ። ትራክት-ኢ ነብሱ ዝኸኣለ ከተማ'ዩ ነይሩ። ንእሽቶን ምጭውትን ከተማ ኣሜሪካ ነበረት። መንግስቲ ኣሜሪካ ትራክት-ኢ ንምህናጹ 77 ሚልዮን ዶላር ኢዩ ወጻኢ ገይሩ (ብናይ ሎሚ ዋጋ ክትመን ከሎ 777 ሚልዮን ዶላር'ዩ)። ሎሚ መዓስከር ደንደን ዚብል ስም ተዋሂቡዎ ይርከብ። ኣብ ትራክት-ኢ ብርክት ዝበሉ መንበሪ ህንጻታት፡ ቤት-ትምህርትታት፡ ኮለጅ፡ ሆስፒታል፡ ቤት ፖስጣ፡ መዘናግዒ ቦታታት (ሲነማ፡ ምሸታዊ ክበባት፡ ናይ ስፖርት ቦታታት፡ መሐንበሲ፡ ቦውሊንግ)፡ ዓበይቲ ድኳናት፡ መዐደል በንዚና፡ ባንካ፡ መደበር ረድዮን ተለቪዥንን፡ ዝተፈላለዩ ቤት ዕዮታት፡ ቤት-ቍርስን መግብን፡ መውዓለ-ህጻናት፡ ቤት-ንባብ፡ ጋራጃት ... ትካላት'ዮም ነይሮም። ኵሉ ኣብ ማእከል-ዕዳጋ ዝፈስስ ዝነበረ ስበዛ ብቀጥታ ካብ ኣሜሪካ ብነፈርቲ ብዳህራን ስዑዲ-ዓረብን፡ ብመራኽብ ኣብ ወደብ ባጽዕን መዓልታዊ ይኣቱ ነበረ። ኣብ ማዕሪኡ፡ ንቤት መኻእ ገጹ፡ መጻወቲ ጎልፍ፡ መቀዳደሚ መኪናን ሞቶርሳይክላትን፡ መዓለሚ ጨመታ ... ብሓጺሩ ኩሉ ነይሩዎ። ትራክት-ኤፍ ካብ ኣስመራ ዉጽእ ኢሉ ናይ ኣሜሪካ ሓይሊ ባሕሪ ተቐበልቲ ትራንስሚተራት ዝተተኽሎ ቦታ ነበረ። ትራክት-ጂ ኣብ ጉራዕ ዝተተኽለ ናይ ስትራትኮም ሳተላይት ተርሚናል (መኽተያ ቦታ) ዀይኑ፡ ትራክት-ኤች ግን ናይ ሓይሊ ባሕሪ ትራንስሚተር ቦታ ነበረ። ስርሓት ቃኘው ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ በጺሑ ዝነበረሉ እዋን ብጠቕላላ ዳርጋ ሓሙሽተ ሺሕ ኣሜሪካውያን ሒዙ ነበረ። ኣብ ትራክት-ኢ ቦታ ስለ ዝጸበበ ኣብ ትራክት-ኤይ ሓደስቲ ኣባይቲ ተሰሪሖም ይግዕዙ ነበሩ። ብዙሓት ካብኦም ድማ ኣብ ኣስመራ ቪላታት ይካረዩ ነበሩ። ሰነዳት መንግስቲ ኣሜሪካ ከም ዘርእይዎ፡ ሓደ ክፋል ናይ መደበር ቃኘው ብ 'ቀጽሪ ሕርሻ' (Kagnew Farms) ዝፍለጥ፡ ኣብ ከባቢ ኣስመራ (ሰሜናዊ ምዕራብ) ዓቢ መዛነይን ናይ ስፖርት ሜዳታትን ነበረ። 'ቀጽሪ ሕርሻ' ብ 1961 ተተኽለ። ብ 1965 ከኣ ብ'ገዛ-እምኒ' (STONEHOUSE) ዝበሃል ካምቦ ተተክአ። ተራ ስቶንሃውስ ዝፈልጥ ሰብ ኣይነበረን - ናይ ምስጢር ቦታ ነበረ። መንግስቲ ሕ.መ.ኣ. ንስርሓት ስቶንሃውስ ካብ ሚስጢራውነት ነጻ ምስ ገበሮ ንመጀመርያ ጊዜ ኣስመራ መዋፈሪ ናይቲ ዝዓበየ መደበር ስለያ ከም ዝነበረ ተጋህደ። \"ብቖልዑትና መደበር ቃኘው ናይ ስለያ ቦታ ከም ዝነበረ ኣይንፈልጥን ነርና\" ይብል ዳዊት። \"ንዓና ዝግድሰና ዝነበረ እቲ ሽዑ ዝተኣታተወ ናብራ፡ ዕንደራ፡ እጹብ ባህላዊ ምርኢት፡ ሙዚቃ፡ ተለቭዥን፡ ፊልምታት ነበረ\" ኢሉ ወሰኸሉ። እቲ ብስቶንሃውስ ዝፍለጥ መደበር ካብ 1965-1975 ነጢፉ ሰርሐ። ጸኒሑ ግን፡ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ምስ ተወዓወዐ ስቶንሃውስ ስርሑ ከቋርጽ ተገደደ። መንግስቲ ሕ.መ.ኣ. ከኣ ነቲ ኣብኡ ዝነበረ መሳርሒታትን ሰነዳትን ኣዕንዮም ወጽኡ። ብኻልእ ሸነኹ፡ ቃኘው ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ግብረ-ሰናይ ስርሓት ይዋፈር ነይሩ። ንስንኩላት፡ ምናዳ ንማሕበር ዓይነ-ስዉራን በብእዋኑ ሓገዛት ይህብ ነይሩ። ብእዋን ቃኘው ኣብ ባጽዕ ጣንጡ ጸኒቶም ከም ዝነበሩ ይዝከር። ሓደ ናይ ቃኘው ኣበርክቶ ምትካል ወለንታዊ ማሕበር መምህራን ነበረ። እቶም መምህራን ጊዜኦም ብዘፍቅዶ ኣብ ብዙሓት ኣብያተ ትምህርትታት (ምናዳ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ) ብናጻ ይምህሩ ነበሩ። ዳዊት መስፍን ከም ዘዘንተዎ፡ \"ህላወ ቃኘው ንመንእሰያት ኤርትራ፡ ምናዳ ንደቂ ከተማታት ኤርትራ፡ ቀልቡ ይስሕብ ስለ ዝነበረ ዳርጋ ኣብ ካልእ ዓለም ይነብሩ ነይሮም ክበሃል ይከኣል\" ይብል። ንሱ ንባዕሉ ውጽኢት ናይ'ቲ ወለዶ'ቲ ምዃኑ ይዛረብ ... ክልተ ኣሕዋቱ ኣብ ቃኘው ይሰርሓ ከም ዝነበረ፣ ሰብኣይ ሓብቱ ድማ ኣብኡ ሓላፊ ምንባሩ ይዝከሮ። ብ60'ታት ን24 ሰዓታት ሙዚቃ ኣሜሪካ ምስማዕ፡ መጋዚንን መጽሓፍ-መስሓቄን (comic books) ምንባብ፡ ተለቪዥን ምርኣይ ልሙድ ከም ዝነበረ ኸኣ የዘንቱ። ደርጊ ኣብ ስልጣን ምስ መጸ ስርሓት ቃኘው ቀነሰ፣ ብ1977 ከኣ፡ እቶም ወተሃደራት ኣሜሪካ ተጓሕጒሖም ምስ ወጹ፡ እቲ ኹሉ ንብረት ኣብ ኢድ ደርጊ ኣተወ። \"ቃኘው ምስ ተዓጽወ ብዙሕ ሰብ ካብ ስራሕ ወጸ፣ ቍጠባ ኣስመራ ኸኣ ክዳኸም ጀመረ። ደርጊ ነቲ ዝወረሶ ንብረት ተኸናኺኑ ንክሕዞ ዓቕሚ ኣይነበሮን። እቲ ተሪፉ ዝነበረ ዝርአ-ዝርአ ኣሰራት ቃኘው ሃሰሰ፣ እቲ ንብረት ዓንዩ ተረፈ። እቲ ናይ ሰላሳ ዓመት ህላዌ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ከኣ ጨሪሱ በረሰ\" ይብል ዳዊት።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58367115"} {"headline":"ኣብ መቐለ ዝርከብ ሆስፒታል ዓይደር ‘ብሕጽረት ቀረባት ቁሱላት ክሕክም ተጸጊሙ’","content":"ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ጥቓ ከተማ መቐለ ድሕሪ ዝተኻየደ ውግእ፡ ኣብ’ታ ከተማ ዝርከብ እቲ ዝዓበየ ሆስፒታል ዓይደር፡ ብሰንኪ ሕጽረት ቀረባት ንውጉኣት ክሕክም ተጸጊሙ ምህላዉ፡ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ። እቲ ሕጽረት ቀረባት “ኣዝዩ ሓደገኛ” ከምዝኾነ’ውን ገሊጹ። ብቀዳም፡ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ከምዝተቖጻጸሩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣፍሊጡ እዩ። መራሒ መንግስቲ ትግራይ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ድማ፡ ሓይልታት ትግራይ ቃልሲ ክቕጽሉ ምዃኖም እዩ ንሮይተርስ ገሊጹ። ብሰንኪ ምዕጻው መራኸቢታት፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኩናት፡ ውሑድ ሓበሬታ ጥራይ እዩ ዝርከብ ዘሎ። እዚ ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ዘውጸኦ መግለጺ፡ ብዛዕባ እቲ ባይታ ዘሎ ኹነታት ዘረድእ እዩ። ኣምቡላንስ ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል “ዝተወግኡን ዝሞቱን ሰባት” ናብ ሆስፒታል ዓይደር ከምዘመላለሳ እቲ ማሕበር ይገልጽ። ናብ’ቲ ሆስፒታል ከይዶም ዝተዓዘቡ ሰራሕተኛታት ቀይሕ መስቀል “80 ምኢታዊት ካብ ተሓምቲ መውቃዕቲ ዘጋጠሞም ከምዝኾኑ” ካልእ ኣገልግሎታት ሕክምና ተቛሪጹ እቲ ዘሎ ውሱን ቀረብን ሰራሕተኛን ኣገልግሎት ሃንደበታዊ ሕክምና ይህቡ ምህላዎምን ገሊጾም። ኣብ’ቲ ሆስፒታል ሕጽረት ሕክምናዊ መስፈዪ ክሪ፣ ኣንቲባዮቲክ፣ ደም ንከይረግእ ዝሕግዙ ኣፋውስ መቕጠኒ ደም፣ ኣፋውስ ጸረ ቃንዛ፣ ከምኡ’ውን ሕጽረት መሸፈኒ ኢድ ኣጋጢሙ ምህላዉ ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ። ብተወሳኺ ድማ፡ ሬሳታት ዝቕመጠሉ መሸፈኒ ሳናጡ’ውን ሕጽረት ከምዘሎ እቲ ኣብ ጀኔነቫ ዝመደበሩ ዓለምለኻዊ ትለል ይገልጽ። እንተኾነ፡ ብዝሒ እቶም ቁስላትን ምውታትን ክንደይ ምዃኖም ኣይገለጸን። እቶም ግዳያት፡ ሰላማውያን ሰባት ድዮም ወተሃደራት ዝብል’ውን ኣይገለጸን። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብቀዳም ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ምሉእ ንምአእ ከምዝተቖጻጸረ ብምግላጽ፡ ኣብ ትግራይ ክካየድ ዝጸንሐ “ወተሃደራዊ ወፍሪ” ከምዝተወደአ ገሊጹ። ይኹን’ምበር፡ ሓይልታት ትግራይ ገና ኩናት ይካየድ ምህላዉ እዮም ዝገልጹ። ሓይልታት ትግራይ ብሰምበት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ኣብ ከተማ ኣክሱም ንዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ “በቲንናዮ” ኢሎም። ኣመዓባብላ እቲ ኩናት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን: ብፖለቲካውን ሕገመንግስታውን ጉዳያት ንነዊሕ እዋን ክተፋነኑ ጸኒሖም። ብ 3 ሕዳር ለይቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ንመዓስከራት ናይቲ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣጥቂዖም ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር አብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ናብ ቅሉዕ ጎነጽ ኣምሪሖም። እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብሓደ ዓመት ድሕሪ ምንውሑ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ርክብ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሑ። ምንዋሕ ናይቲ ምርጫ ዝተቓወመ ህወሓት፡ ኣብ ትግራይ ክልላዊ ምርጫ ንምክያድ ብዝወሰዶ በይናዊ ውሳነ መሰረት፡ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ብምቛም ኣብ መጀመርታ መስከረም ምርጫ ኣካይዱ። ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራል ብወገኑ፡ እቲ ምርጫ \"ዘይሕጋዊ\" ምዃኑ ብምፍላጥ፡ ነቲ ሓድሽ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍልጦ ከምዘይህቦ ኣዊጁ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ ድሕሪ መስከረም፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ስልጣኑ ዘብቀዐ'ዩ ብምባል ኣፍልጦ ነፊግዎ። ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ'ውን፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዘቕውም ብምግላጽ፡ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሸይሙ። መራሕቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነዚ ውሳነ \"ክፍጸም ዘይክእል ሕልሚ ቀትሪ\" ክብሉ ነጺጎምዎ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55127183"} {"headline":"ሩስያ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ህጹጽ ሓደጋታት ንካልእ ሰብ ከድሕን ክብል ከምዝሞተ ተገሊጹ","content":"ሩስያዊ ሚኒስተር ህጹጽ ሓደጋታት የቭገኒ ዚኒቸቭ፡ ኣብ ቦታ ስልጠና ሲቪላዊ ምክልኻል ሓደጋ ኣጋጢምዎ ከምዝሞተ ተገሊጹ። ወዲ 55 ዓመት ሚኒስተር፡ ንካልእ ሰብ ንምድሓን ኣብ ዝገበሮ ፈተነ ከምዝሞተ'ውን እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ። ሓላፊት መንግስታዊ ተለቪዥን ኣር-ቲ ከምዝበለቶ፡ ሓደ ሰኣላይ (ካሜራማን) እቲ ሚኒስተር ቃለመሕትት እናገበረ እንከሎ ሸተት ኢሉ ጸዲፉ። \"ንሱን እቲ ካሜራማንን ኣብ ደንደስ ጸድፊ'ዮም ነይሮም። እቲ ካሜራ ማን ሸተት ኢሉ ናብቲ ማይ ወዲቑ\" ክትብል እታ ሓላፊት ተዛሪባ። \"ዚኒቸቭ፡ ነቲ ዝወደቐ ካሜራማን ከድሕን ተጓይዩ ዘሊሉ፡ ውጥም ዝበለ ከውሒ ሃሪምዎ ኸኣ ሞይቱ\" ኢላ። እቲ ዳይረክተር ፊልም ምዃኑ ዝተነግረሉ ወዲ 63 ካሜራማን ኣለክዛንዳር መልኒክ'ውን ከምዝሞተ ተፈሊጡ። እቲ ሓደጋ፡ ኣብ ሰሜን ሳይበርያ ኣብ ዝርከብ ተፈጥሮኣዊ ሕዛእቲ ዘሎ መንጨጫዕታ ኪታቦ ኦሮን እዩ ተፈጺሙ። ዚኒቸቭ፡ ካብ 2018 ኣትሒዙ ሚኒስተር ህጹጽ ሓደጋታት ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ቀንዲ ኣባል ሓለዋ ጸጥታ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዝነበረ ምዃኑ ይንገረሉ። ኣብ እዋን ሶቬት ሕብረት ኣባል ትካል ስለያ ከይ-ጂ-ፒ ዝነበረ እቲ ሚኒስተር ዳርጋ ዝበዝሕ ግዚኡ ኣብ ትካል ሃገራዊ ጸጥታ'ዩ ኣሕሊፍዎ። ቤተመንግስቲ ክረምሊን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ምስቲ ሚኒስተር ንነዊሕ እዋን ከምዝሰርሐ ክገልጽ እንከሎ፡ ኣፈኛ ፑቲን ድሚትሪ ፐስኮቭ ድማ ዓቢ ክሳራ'ዩ ክብል ተዛሪቡ። እቲ ኣብቲ ቦታ ዝሞተ ስኣላይ መልኒክ ብወገኑ፡ ደራስን ዳይረክተርን ናይቲ ኣብ ኣርክቲክ ዝተሰርሐ 'ቶሪቶሪ' ዝተባህለ ናይ በረኻ ፊልም ምዃኑ ተፈሊጡ። እቲ ፍሉጥ ፊልም ኣብቲ ዝሞተሉ ቦታ ከምዝተሰርሐ'ውን ተገሊጹ። ኣብቲ እዋን፡ ብዛዕባ ልምዓታዊ ምዕባለ ናይቲ ከባቢ ዝገልጽ ሰነዳዊ ፊልም ኣብ ምድላዉ'ዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ሓደጋ፡ ንልምምዳት ህጹጽ ሓደጋታት ናይቲ ሚኒስትሪ እናሰነዱ ምንባሮም ማዕከናት ዜና'ታ ሃገር ጸብጺበን። ምክትል ናይቲ ሚኒስተር፡ ኣንድረይ ጉሮቪች ንተለቪዥን ሮስያ 24 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓላፊኡ \"ከም ሚኒስተር ዘይኮነስ፡ ከም ሰራሕተኛ ሂወት ኣድሕን\" ግብረመልሲ ሂቡ ክብል ተዛሪቡ። \"ምሉእ ሂወቱ ብኸምኡ'ዩ ኣሕሊፍዎ\" ድማ ኢሉ። ሬሳ ናይቲ ብረቡዕ ንጉሆ ዝሞተ ሚኒስተር ናብ ርእሰከተማ ሞስኮ ከምዝተወስደ ተፈሊጡ። እቲ በቲ ሚኒስትሪ ዝካየድ ዝነበረ ልምምድ ዘይንቡርን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታትን ዝተኻየደን'ዩ ነይሩ። ኣብቲ ብትእዛዝ ፕረዚደንት ፑቲን ዝተኻየደ ልምምድ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ህጹጽ ሓደጋታት ሩስያ ዝተዋጽኡ 6000 ኪኢላታት ተሳቲፎም።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58495753"} {"headline":"ሱዳን ምስ ሩስያ ዝገበረቶ ወተሃደራዊ መዓስከር ሩስያ ናይ ምህናጽ ስምምዕ ደጊማ ክትሓስበሉ'ያ","content":"ሱዳን፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ወተሃደራዊ መዓስር ሩስያ ንምህናጽ ዝኣተወቶ ስምምዕ ዳግመ-ግምት ክትገብረሉ ምዃና ኣፍሊጣ። እቲ ኣብ ዘበነ ስልጣን ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣል-በሽር ዝተፈረመ ስምምዕ፡ ሩስያ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ወደባዊት ከተማ ፖርት ሱዳን ወተሃደራዊ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ክትምስርት ዘፍቅድ'ዩ። ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል መሓመድ ኣል-ሑሴን ንተለቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ ልኡኽ ሩስያ ከምዝተዘራረቡን፡ እቲ ስጉምቲ ንረብሓታት ክልቲአን ሃገራት ዘገልግል ምዃኑ ተዛሪቡ። \"እቲ ስምምዕ ንዓና ዘርብሓና እንተኾይኑን፡ ንረብሓታት ሩስያ ዝሕሉ እንተኾይኑን፡ ጸገም የለን\" ክብል ጀነራል መሓመድ ገሊጹ። ሰብመዚ ሩስያ ንመግለጺ ናይቲ ጀነራል ከምዝሰምዕዎ ብምግላጽን፡ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ምስ ሱዳን ከምዝተራኸቡ ብምሕባር፡ ነቲ ኩነታት ክፈትሕዎ ከምዝኽእሉ ዘለዎም ተስፋ ኣይሓብኡን። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ፈላሚ ወተሃደራዊ መዓስከር ሩስያ ክኸውን ትጽቢት ዝተገብረሉ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክህነጽ ኣጽዲቑ ምንባሩ ይዝከር። እቲ ኣብ ሚያዝያ 2019 ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ኣል-በሽር፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ብዝተፈላለየ ክስታት ኣብ ማእሰርቲ ይርከብ። ብመሰረት እቲ ሽዑ ዝተበጽሐ ምርድዳእ፡ እቲ መዓስከር ኑክሌራዊ ዝርከብአን 4 መራኽብ ኲናትን ኣስታት 300 ኣባላትን ከስፍር ተወጢኑ ነይሩ። ሞስኮ፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ንምስፍሕፋሕን ጽልዋታትን ኣመሪካን ቻይናን ንምብዳህ፡ ናብ ኣፍሪቃ ኣድሂባ ትሰርሕ ከምዘላ ተንተንቲ ፖለቲካ ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57353614"} {"headline":"ተጋሩ ኣባላት ምክልኻል ኢትዮጵያ ‘ዕጥቂ ክንፈትሕ ተገዲድና’ ኢሎም","content":"ፖለቲካዊ ወጥሪ መንግስቲ ፌደራልን መንግስቲ ክልል ትግራይን ናብ ሰማይ ዓሪጉ ሓይልታቶም ኣብ ተፋጠጥ ካብ ዝኣትዉ እነሆ ሳልሳይ መዓልቲ ሒዙ ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ እቲ ስጉምቲ ተጠናኺሩ ከምዝቕጽል ገሊጹ’ሎ። መራሒ ክልል ትግራይ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ድማ፡ ሎሚ ኣብ ቴሌቪዥን ትግራይ ቀሪቡ ብወገን ምዕራብ ትግራይ ውግእ ይቕጽል ከምዘሎ ገሊጹ። “ብደቡብ ትግራይን ዓፋርን እውን ሰራዊት የእትዉ ኣለዉ፡ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ውግእ ክለዓል ይኽእል እዩ” ድማ ኢሉ። እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ካብ ትግራይ ወጻኢ፡ ኣብ ምክልኻል ሰራዊት ሃገርን ኮምሽን ፌደራል ፖሊስን ዝሰርሑ ተወለድቲ ትግራይ ዕጥቆም ፈቲሖም ተወሳኺ መምርሕታት ክሳብ ዝወሃቦም ክጽበዩ ከምዝተገበረ ምንጭታት ቢቢሲ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባን ክልል ህዝብታት ደቡብ ኢትዮጵያን ሓቢሮም። ምእንተ ውልቃዊ ውሕስነቱ ስሙ ከይጥቀስ ዝገለጸ ኣባል ሰራዊት ‘ኣየር ወለድ’ ኢትዮጵያ፡ ክልተ በራጊድ ኣየር ወለድ ናብ ባህርዳርን ጎንደርን ከይደን ኣነ ዘለኹዋ በርጌድ ግን፡ ተዳለዉ ጥራይ ተባሂልና ኣብ ምድላው እንከለኹ፡ ናብ ትማሊ [ሕዳር 4] ዘውግሕ ለይቲ ተጸዊዔ ‘ዕጥቕኻን ንብረትካን ኣረክብ’ ተባሂለ ኣረኪበ ኣለኹ” ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ። ንኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ኣባል ኮማንዶ ኮይኑ ኣብ ዝተመደቦ ዝተፈላለየ ወተሃደራዊ ወፍርታት ግቡኡ ክፍጽም ከም ከምዝጸንሐ ዝገልጽ እዚ ምንጪ “ኣዘዝትና ኣኼባ ኣኪቦም ‘ህወሓት ኣብ ልዕሊ መከላኸሊ ሰራዊት ሃገር መጥቃዕቲ ፈጺሙ’ዩ’ ድሕሪ ምባል፡ ኩላትና ተወለድቲ ትግራይ ኣባላት እታ ብርጌድ ዕጥቕና ፈቲሕና ተወሳኺ መምርሕታት ክሳብ ዝወሃበና ንጽበ ኣለና ይብል። ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ መብርሂ ክሓትት ናብ ምክትል ኤታማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሀኑ ጁላ፡ እዚ ንዕኡ ዝምልከት ከምዘይኮነ ብምግላጽ “ከምኡ ነገር እንተልዩ ኮይኑ፡ ፖለቲካዊ ስለዝኾነ ፖለቲካ ድማ ናይ ገዛእ ርእሱ ሰባት ስለዘለውዎ ንዕኣቶም ሕተቱ” ዝብል መልሲ ሂቡ። ካልእቲ ስማ ክግለጽ ዘይደለየት ኣባል ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ብወገና፡ ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገለትሉ ሓይሊ ፖሊስ ፌደራል ሃንደበት ተደዊሉ “ኣልባሳትክን ዕጥቅንን ኣረክቢ” ከምዝተብሃለት፡ ንቢቢሲ ሓቢራ። እታ ምንጭና ወሲኻ፡ ካልኦት ኣባላት ናይ’ቲ ኮምሽን ዝኾኑ ተወለድቲ ትግራይ፡ ካብ ኣኼባ ዕጥቆምን ኣልባሳቶምን ከረክቡ ከምዝተገበረ ትዛረብ። ብዛዕባ’ዚ ዝተሓተተ ኮምሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌደራል እንዳሻው ጣሰው፡ ‘ውሽጣዊ ጉዳይ ምዃኑ ብምግላጽ ሓበሬታ ክህብ ፍቓደኛ ከምዘይኮነ ተዛሪቡ። ሎሚ ብተሌቪዥን ቀሪቡ መግለጺ ዝሃበ፡ ኣመሓዳሪ ትግራይ ዶ\/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ‘ተጋሩ ኣባላት ሰራዊት ከም ከሓድቲ ተቖጺሮም፡ ካብ ስርሓቶም ከምዝተኣገዱን ይንከላበቱ ከምዘለዉን’ ተዛሪቡ። እቶም ምንጭታት እንታይ ይብሉ? ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዝኾነ ይኹን ኣኼባታትን ወፍርታትን ከይሳተፉ ተኣጊዶም ካብ’ቲ ናይ ወተሃደራት መዓስከር ከይወጽኡ ከምዝተነገሮም ዝሓበረ እቲ ኣባል ምክልኻል፡ “ተጋሩ ተኣኪብና ዕድመ ልክዕና ደምና ዝገበርናሉ ትካል ከመይ ከምዚ ይፈድየና? ኢልና ሓቲትናዮም፡ እንተኾነ ግን ካብ ላዕሊ ዝመጽአ ትእዛዝ እዩ” ዝብል ምላሽ ከምዝተወሃቦም ይገልጽ። “ንቐጻሊ እንታይ ከምዝገብሩና እውን ንፈልጦ ነገር የለን” ድሕሪ ምባል ድማ፡ ንህይወቶም እውን ከምዝሰግኡ ይዛረብ። “ዓለም ለኸ ትካላት ኣብቲ ጉዳይ ኢዶም ኣእትዮም ፍታሕ ክህቡና ንላቦ” ብምባል ተሻቒሉ ምህላዉ፡ ንቢቢሲ ገሊጹ። ምትፍናን መንግስታት ፌደራልን ትግራይን ናብ ኵናት ኣምሪሑ ክልቲኦም ሓይልታት “ኣነ እየ ዝስዕር ኣነ እባ” እናተብሃሃሉ ይቕጽል ኣሎ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54829873"} {"headline":"ወተሃደራዊ ዓቕሚ ኢራን ክሳብ ክንደይ እዩ?","content":"ኢራን፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት ናይቲ ብኣመሪካ ዝተቐተለ ጀነራላ ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ዒራቕ ዝርከቡ ክልተ ወተሃደራዊ መደብራት ኣመሪካ ኣጥቂዓ ነይራ። ካብቶም ኣገደስቲ ወተሃደራዊ ዓቕምታት ኢራን፡ ናይ ሚሳይል ዓቕምታታ እዩ። ኣብ ሓይሊ ኣየር ሕጽረታት ስለዘለውዋ፤ ኘቲ ናይ ሚሳይል ዓቕማ ትግደስ። ኣብቲ ዞባ ዘለዋ፡ ከም እስራኤልን ስዑድን ዝበላ ናይ ኢራን ተቐናቐንቲ፡ ዝተነጸሩ ዒላማታት ፈሊኻ ንምውቃዕ ዘኽእለን ናይ ሓይሊ ኣየር ቴክኖሎጂ ኣለወን። ኢራን ግን ዓቕሚ ናይ ሓይሊ ኣየር ስለዝጎድላ፡ ኣብ ክንድኡ፡ ዝተነጸሩ ዒላማታት ፈልያ ንምውቃዕ ሚሳይላት ትጥቀም። ጸብጻብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ከምዝብሎ፡ ሓይሊ ሚሳይል ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እቲ ዝዓበየ እዩ። ብንጹር ቁጽሪ ምጥቃስ ዝኸብድ እኳ እንተኾነ፡ ኢራን ልዕሊ 10 ዝተፈላለየ ዓይነት ዘለዎም፡ ኣሸሓት ሚሳይላት ከምዘለውዋ ይግለጽ። ኢራን ነቶም ኣብ ዒራቕ ዝርከቡ መደብራት ኣመሪካ ክተጥቅዕ እንከላ፡ 'ፋተሕ' ከምኡ ድማ 'ቂያም' ዝተብሃሉ ሚሳይላት ከምዝተጠቐመት መራኸብቲ ብዙሓን ናይታ ሃገር ጸብጺቦም። ኢራን፡ ነቲ ቂያም ዝበሃል ሚሳይል ካብ 2011 ኣትሒዛ ብሰፊሑ ክተፍርዮ ዝጸንሐት ኮይና፡ ክሳብ 700ኪሜ ዝውንጨፍን 750ኪግ ቦንባ ክሽከም ዝኽእልን እዩ። ኣብ ሰነ 2017፡ ኢራን ኣንጻር ዳዕሽ ነዚ ሚሳይላት ተጠቒማትሉ ነይራ። እቲ ፋተሕ ዝበሃል ዓይነት ሚሳይላት ድማ ኣብ መጀመርያታት 2000 ናብ ኣገልግሎት ዝኣተወን ኮይኑ፡ ዝነኣሰ ናይ ምሽካም ዓቅሚ ኣለዎ። ሻሃብ-3 ዝበሃል ናይ ማእከላይ ርሕቐት ሚሳይል ድማ፡ 750ኪግ ቦንባ ናይ ምጽዓን ዓቕሚ ኣለዎ። ክሳብ 1,500ኪሜ ድማ ክውንጨፍ ይኽእል። ንምንጽጻር፡ ኣመሪካ ዝሰርሓታ ኤፍ35 ናይ ውግእ ነፋሪት፡ ክሳብ 10,000 ኪግ ቦንባ ናይ ምጽዓን ዓቕሚ ኣለዋ። ኢራን፡ ኣስታት 50 ናይ ማእከላይ ርሕቐት ሚሳይላት መወንጨፊ፡ 100 ዝኸውን ድማ ናይ ሓጺር ርሕቐት ሚሳይላት መወንጨፊ መሳርሕታት ትውንን። ናይ ነዊሕ ርሕቐት ሚሳይላት ንምስራሕ ከኣ መደብ ዘለዋ ኮይና፡ ፈተነታት'ውን ተካይድ እያ። ብዝኾነ፡ ናይ ማእከላይን ሓጺርን ርሕቐት ሚሳይላት ኢራን፡ ኣብ ስዑዲን ኣብ ወሽመጥን ንዘለዉ፡ ከምኡ ድማ ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ ዒላማታት ከጥቅዑ ዓቕሚ ኣለዎም። ዝሓለፈ ግንቦት፡ ምስ ኢራን ምትፍናን እናተጋደደ ምስከደ፡ ኣመሪካ ጸረ-ሚሳይል ኣጽዋራት ናብ ማአከላይ ምብራቕ ኣግዒዛ እያ። ኢራን ንጡፋት 523,000 ኣባላት ሰራዊት ከምዘለውዋ ይግለጽ። 350,000 ኣብ ስሩዕ ሰራዊት ዘለዉ ኮይኖም፡ ብውሕዱ እቶም 150,000 ኣባላት እስላማዊ ሰውራዊ ሓለዋ ኢራን እዮም። ተወሰኽቲ 20,000 ድማ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኣለዉ። እስላማዊ ሰውራዊ ሓለዋ ኢራን ቅድሚ 40 ዓመታት፡ ነቲ ኣብ ኢራን ዘሎ እስላማዊ ስርዓት ንምሕላው ዝቖመ ኮይኑ፡ ሕዚ ዝዓበየ ወተሃደራዊ፣ ፖለቲካውን ቁጠባውን ሓይሊ ክኸውን ክኢሉ'ሎ። ካብቲ ስሩዕ ሰራዊት ኢራን ዋላኳ ብብዝሒ ዝነኣሰ እንተኾነ፡ ኣብ ኢራን እቲ ዝያዳ ወተሃደራዊ ስልጣን ዘለዎ ሓይሊ ምዃኑ እዩ ዝፍለጥ። ኢራን ኣጽዋር ኒዩክሌር ኣለዋ'ዶ? ኢራን፡ ኣብዚ እዋን መደብ ኣጽዋር ኒዩክሌር የብላን። ቅድሚ ሕዚ'ውን 'ኣየድልየንን' ኢላ ነይራ እያ። እንተኾነ፡ ኣጽዋር ኒዩክሌር ክትሃንጽ ዘድልዩዋ ባእታታትን ፍልጠትን ግን ኣለዋ። ኣብ 2015፡ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ዘውጸኦ ገምጋም፡ ኢራን ኣጽዋር ኒዩክሌር ንምህናጽ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ እዩ ዘድልያ ይብል።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51082741"} {"headline":"እስራኤል ኣብ እምባ ሶይራ ናይ ስለያ መደበር ኣለዋ ንዝብል ጸብጻብ ኤርትራ ነጺጋቶ","content":"እስራኤል ካብ 2016 ጀሚራ ኣብ ኤርትራ ምስጢራዊ መደበር መስሪታ ከም ዘላ ሓደ ሪቻርድ ሲልቨርስተይን ዝተባህለ እስራኤላዊ 'ብሎገር' ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣስፊሩ'ሎ። እቲ ንመጻብቦ ባብ ኣል-ማንዳብ ንምክትታል ዝዓለመ መደበር፡ \"ካብ ርእሰከተማ እታ ሃገር፡ ኣስመራ፡ ወጺእካ ኣብ ዝርከብ ኣብታ ሃገር ዝዓበየ ጎቦ፡ እምባ ሶይራ\" ከምዝርከብ ጠቒሱ። እንተኾነ ግና፡ ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገረብመስቀል እቲ ጸብጻብ ንምድንጋር ዝዓለመ'ዩ ብምባል ነጺግዎ። \"እዚ ብገለ ናይ ስለያ ትካላት ኮነ ተባሂሉ ዝተዘርገሐ ግጉይ ሓበሬታ እዩ። ምስ ግዜ'ውን እቲ ቦታ እናተቐያየረ መጺኡ'ሎ፤ ፈለማ [ዴሴት] ዳህላክ ነይሩ፡ ሕጂ ድማ ናብ እምባ ሶይራ ዓብዩ ኣሎ\" ክብል ኣብ ትዊተር መልሲ ሂቡሉ። ኣብዚ ዝሓለፈ ሕዳር፡ ትካል ስለያ እስራኤል፡ ሞሳድ \"ምስሊ መንግስቲ ኤርትራ ንምስይጣን\" ምስቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝንቀሳቐሱ \"ሓይልታት ሽበራ\" ምትእስሳር ኣለዎ ዝብል \"ጸለመ\" ይዝርግሕ ነይሩ ክትብል ኤርትራ ከሲሳ ምንባራ ይዝከር። ኣብ 2019 ሚኒስትሪ ዜና ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዝተረኽበ \"ሚስጢራዊ ሰነዳት\" መሰረት ብምግባር ትካል ስለያ ኣመሪካ ሲ-ኣይ-ኤ ንመንግስቲ ኤርትራ ንምዕላዉ ወጢኑ ነይሩ ክብል ከሲሱ። ኣፈኛ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ፡ ኣሮን ቴስታ፡ ሽዑ ነቲ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ክሲ \"ርእይቶ ክንህበሉ ኣይንደልን\" ክብል መልሲ ሂቡሉ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ቢልድ ዝተባህለ ጋዜጣ ጀርመን፡ ሩስያ ኣብ ኤርትራ ወታሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ ትቃረብ ከምዘላ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቂ ከም ዘይኮነ ሚኒስተር የማነ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር። እቲ፡ ንሓደ ምስጢራዊ ሰነድ መንግስቲ ጀርመን ብምጥቃስ ዝሰፈረ ጸብጻብ፡ ሩስያ ኣብ 6 ሃገራት ኣፍሪቃ ወታሃደራዊ መዓስከራት ክትሃንጽ መደብ ከም ዘለዋን፡ ካብተን ሃገራት ናይ ውዕል መብጽዓ ከም ዝተኣትወላን ዝሕብር'ዩ። እተን ዝተጠቕሳ 6 ሃገራት፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ግብጺ፡ ኤርትራ፡ ማዳጋስካር፡ ሞዛምቢክን ሱዳንን እየን። ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፡ ኢራን፡ ግብጺ፡ እስራኤልን ሩስያን ኣብ ኤርትራ ወታሃደራዊ መዓስከራት ከም ዝመስረታ ዝገልጽ ክወጽእ ዝጸንሐ ጸብጻባት ኤርትራ ክትነጽጎ ጸኒሓ'ያ። ክሳብ ሕጂ ኣብታ ሃገር ከምዘሎ ዝተረጋገጸ ናይ ወጻኢ ወታሃደራዊ መዓስከር፡ እቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ከባቢ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ሃኒጻቶ ዘላ'ዩ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54078460"} {"headline":"ዓሰርተ-ኣርባዕተ ወታሃደራት ፈረንሳ ኣብ ማሊ ተቐቲሎም","content":"ኣብ ማሊ፡ ክልተ ኣብ ወታሃደራዊ ስርሒት ተዋፊረን ዝነበራ ሄለኮፕተራት ብምግጫወን ብውሕዱ 14 ወታሃደራት ፈረንሳ ከም ዝሞቱ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ፈረንሳ ሓቢሩ። እተን ሄለኮፕተራት ኣንጻር ጂሃዳውያን ዕጡቓት ኣብታ ሃገር ወታሃደራዊ ስርሒታት እናካየዳ እንከለዋ'የን ተጋጭየን። እቲ ሓደጋ፡ ካብ 1980ታት ጀሚሩ እቲ ዝኸፍአ ኣብ ሰራዊት ፈረንሳ ዘጋጠመ ምዃኑ ይግለጽ። ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑዌል ማክሮን በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ዝተሰምዖ \"መሪር ሓዘን\" ገሊጹ። ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ንምፍላጥ መርመራ ተጀሚሩ'ሎ። ኣብ 2013፡ እስላማውያን ዕጡቓት መጥቃዕቲ ብምኽፋት ሰፊሕ ካባቢታት ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ ፈረንሳ ንሰራዊት ማሊ ንምድጋፍ ሰራዊታ ኣብታ ሃገር ኣሰሊፋ። ዋላ'ኳ ሰራዊት ማሊ ንመብዛሕትኡ እቲ ሽዑ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ናይቶም ዕጡቓት ዝኣተወ ቦታታት ከምልስዎ እንተኸኣሉ፡ ገና ምርግጋእ ዘይብሉን ቀጻሊ ግጭታት ዝራኣየሉን ኮይኑ ይርከብ። ፈረንሳ፡ 4500 ወታሃደራት፡ ንሓይልታት ማሊ፡ ማውሪታንያ፡ ኒጀር፡ ቡርኪናፋሶን ጫድን ንምድጋፍ ኣብቲ ዞባ ኣስፊራ'ላ። ኣብቲ ሓደጋ፡ ሓንቲ 'ታይገር' ዝዓይነታ ናይ ኲናት ሄለኮፕተርን ካልእ ናይ መጓዓዝያ ሄለኮፕተር ኣብ ናይ ውግእ ዞባ፡ ንሓይሊ ምድሪ ደገፍ እናሃባ'የን ኣብ ሰማይ ተጋጭየን። ሓደ ካብቶም ዝሞቱ ወታሃደራት ወዲ ፍሉጥ ብዓል ስልጣን ፈረንሳ ከም ዝኾነ'ውን ተፈሊጡ። \"ዕላማ ናይዞም 13 ጀጋኑ፡ ሓንቲ'ያ ነይራ፡ ንዓና ንምሕላዉ\" ክብል ፕረዚደንት ማክሮን ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ'ውን ሓደ መኮንን ሰራዊት ፈረንሳ ከም ዝሞተ ይፍለጥ። ፈረንሳ፡ ሰራዊታ ኣብቲ ዞባ ካብ እተዋፍር ጀሚሩ፡ ዛጊት 38 ወታሃደራታ ኣብ ማሊ ተቐቲሎም ኣለዉ። እቲ ዝበዝሐ መጥቃዕትታት ግን ኣብ ልዕሊ፡ ሓይልታት ጸጥታ እተን ሃገራት ዝበጽሐ ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ። ጅሃዳውያን ዕጡቓት ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ኣብ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ 53 ወታሃደራት ማሊ ምቕታሎም ይዝከር።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50563073"} {"headline":"ኢራን፡ ንተምሳል ወተሃደራዊት መርከብ ኣሜሪካ ብሚሳኤል ሃሪማ","content":"ኢራን ኣብ ስተራተጂካዊ ቦታ ሃርሙዝ፡ ንሓንቲ ብኣምሳል ነፈርቲ ዝጽዕና ወተሃደራዊ መራኽብ ኣመሪካ ዝተሰርሐት 'መርከብ' ብሚሳኤል ከምዝሃረመታ ተገሊፁ። እቲ ብሚሳኤል ዝተበስዐ ኣካል ናይታ ስንዕቲ መርከብ ባርዕ ስለዝፈጠረ፡ ኣሜሪካ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ክልተ መዓስከራታ፡ ኣብ ተጠንቀቕ ክጸንሕ ሓቢራ ኣላ። ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ንተግባር ኢራን ብምኹናን፡ “ዘይሓላፍነታውን ዕቡድ ጠባያትን ኢራን” ብምባል፡ “ንታህዲድ ተባሂሉ ዝተገበረ’ዩ” ኢሉ። እቲ ፍጻመ ወጥሪ ቴህራንን ዋሽንግተንን ኣብ ወሽመጥ ዓረብ፡ ኣብ ጥርዚ ኣብ ዝበጽሓሉ እዩ ዘጋጥም ዘሎ። እዚ ናይ ኢራን ወተሃደራዊ ልምምድ ‘ነብዪ መሓመድ 14’ ዝብል ስም ዝተውሃቦ ኮይኑ፡ ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ብቀጥታ እዩ ተራእዩ። እታ ተምሳል ነፈርቲ ዝጽዕና መራኽብ ዘለዋ መርከብ፡ ኣብ ዝባና ናይ ሓሶት ነፈርቲ ዘለዋኣ እያ። ኢራን ነታ መርከብ ካብ ዝተፈላለየ ኣንፈታት እያ ሚሳኤል ወንጪፋትላ። ኢራን፡ ነዛ መርከብ ዋላ ካብ ሄሊኮፕተራት ኮይና’ያ ሚሳኤል ትውንጭፈላ ነይራ፡ ሓደ ጎኒ ናይታ መርከብ ድማ ብኸቢድ ተሃሪሙ። ኣዛዚ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ሜጀር ጀነራል ሑሴን ሳልማኒ፡ ኣብ ሃገራዊ ተለቪዥን እታ ሃገር ቀሪቡ “እቲ ሎሚ ዝርኣናዮ፡ ብሓይሊ ባሕሪ ይኹን ብክልታት ኣየርና እንገብሮ ምክልኻል ቁጠዐ ዝተሓወሶ’ዩ ነይሩ” ኢሉ። ኢራን ባላስቲክ ሚሳኤል ትጥቀም ከም ዘላ ኣሜሪካ ምስ ፈለጠት፡ ኣብ ቐጠርን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝርከቡ ወተሃደራታ ኣብ ተጠንቀቕ ክጸንሑ ኣዚዛ ኣላ። ውሃቢት ቃል ኣብ ባሕሬን ዝርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ኮማንደር ረቤካ ሪባሪች “ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ኣብ ምክልኻል ዘድሃበ፡ ናጽነት ምንቅስቃስ ባሕሪ ንከውሕስ እዩ ዝሰርሕ፡ ኢራን ግን ኣብ ምጥቃዕ ዘድሃበ ስጉምትታተ እያ ትወስድ ዘላ፡ ነዚ ከኣ ንታሃዲድ ኢላ እያ ትገብሮ ዘላ” ኢላ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53577158"} {"headline":"ደቡብ ኮርያ፡ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይተሳተፉ ምሕረት ትገብር","content":"ደቡብ ኮርያ፡ ብሃማኖታውን ውልቃውን ምኽንያትን ተመርኹሶም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይፈጸሙ 1879 ደቂ ተባዕትዮ ምሕረት ከምትገብረሎም ኣመልኪታ። እዚ ውሳነ ዝተወስደ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብቤት-ፍርዲ እታ ሃገር \"ናይ ሕልና ወይ ኣብ ሃይማኖታዊ እምነት\" ተመርኩሶም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይፈጸሙ ንጉዳዮም ኣፍልጦ ምስ ሃቦ እዩ። ደቡብ ኮርያ ምስ ሰሜን ኮርያ ኣብ ምፍጣጥ ትርክብ ሃገር ኮይና፡ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጽኑዕ ዝኾነ ሕጊ ትኽተል። ኩሎም ብቑዓት ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮ ን23 ኣዋርሕ ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ወይ ን24 ኣዋርሕ ኣብ ሓይሊ ኣየር ከገልግሉ ዘስገድድ ጥቡቕ ሕጊ ኣለዋ። ኣብ ደቡብ ኮርያ፡ ኣብ ውትህድርና ክሳተፉ ሕልናኦም ዘየፍቕደሎም ሰባት፡ ን18 ኣዋርሕ ይእሰሩ። መብዛሕቱ ግዜ ድማ ስራሕ ክረኽቡ ኣጸጋሚ እዩ። ተጣበቕቲ መሰላት ደቂ-ሰባት፡ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክሳተፉ ሕልናኦም ዘየፍቅደሎም ሰባት ብዙሕ ጸጋማት ከምዘጓንፎምን፡ ድሕሪ ቤት-ማእሰርቲ ስራሕ ክረኽቡ ከምዘጸግሞም ይሕብሩ። ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ሙን ጃይ ኢን፡ ኣብ 2017 ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ እዚ ንሳልሳይ ግዜ እዩ ምሕረት ዝገብር ዘሎ። ብመሰረት ምኒስተሪ ፍትሒ እታ ሃገር፡ ክሳብ ሕጂ፡ ልዕሊ 5 ሽሕ ሰባት ምሕረት ተገይርሎም ከምዘሎን፡ ካልኦት 267 ሃገራዊ ምርጫ ዝጠሓሱን ምሕረት ተገይሮም ኣሎ። መንግስቲ ደቡብ ኮርያ ከምዝበሓሮ፡ እቶም ገበኛታት ናብ ሕብረተ-ሰብ ተሓዊሶም ኣፍረይቲ ክኾኑ ከምዝሕግዞም ኣምልኪቱ። ደቡብ ኮርያ፡ ኣብ ዓለም ብብዝሒ ዕርዲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ዶብ ትውንን። ሃገራዊ ኣገልግሎት ድማ ከም ቀንዲ ሃገራዊ ምክልኻል ናይታ ሃገር ከምዝኾነ እያ እትቖጽሮ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50943754"} {"headline":"ዶናልድ ትራምፕ፡ \"ዒራቕ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ማዕቐብ ይጽበያ ኣሎ\"","content":"ባይቶ ዒራቕ፡ ሰራዊት ኣሜሪካ ካብታ ሃገር ክወጹ ድሕሪ ምእዛዙ፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ ዒራቕ ጽኑዕ ማዕቀብ ክግበረላ ከምዝኽእል ኣፈራሪሑ። \"ኣብ ዒራቕ ኣዝዩ ገዚፍን ክቡርን ዝኾነ ሓይሊ ኣየር እዩ ዘለና። ነዚ ክንሃንጽ ድማ ቢልዮናት ዶላር ኢና ኣፍሲስናሉ። እዚ ዘውፃእናዮ እተዘይከፊሎምና፡ ካብ ዒራቕ ኣይንወጽእን\" ክብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ። ኣመሪካ፡ ንጀነራል ቃስም ሶሌማኒ ምስ ቀተለት፡ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኢራንን ዝነበረ ወጥሪ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ደዪቡ ምህላዉ ይንገር። ኢራን ንቅትለት ጀነራላ ሕነ-ከምእትፈዲ ብምግላጽ፡ በቲ ኣብ 2015 ዝፈረመቶ ኒኩሌራዊ ውዕል ከምዘይትግዛእ'ውን ኣፍሊጣ። ኢራን፡ ብመሪሕነት ጀነራል ቃስም ሶሌማኒ፡ ብሰላሕታዊ መንገዲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ምስ ዘለው ዕጡቓት ጉጅለታት ዘይብተኽ ምሕዝነት ክትምስርት በቒዓ እያ። ኣሜሪካ ግና ንተግባር ሶሌማኒ፡ ግብረ-ሽበራዊ ብምባል ክትከታተሎ እያ ፀኒሓ እያ። ሬሳ ጀነራል ቃሲም ሶሌማኒ ናብ ኢራን ዝኣተወ ኮይኑ፡ ብቅትለት እዚ ጀነራል ዝተቖጥዑ ኢራናውያን፡ ንጎደናት ቴህራን ኣዕለቕሊቖምዎ ኣለዉ። ንጀነራል ሶሌማኒ ተኪኡ ዝተሸየመ ብርገዴር ጀነራል እሽማዕል ኩኣኒ ድማ፡ ንኣሜሪካ ካብ ማእኸላይ ምብራቕ ጸሪግና ክነውፅኣ ኢና ክብል ተዛሪቡ። \"ነቲ ሶሌማኒ ዝጀመሮ ከነቐጽሎ ቃል ንኣቱ፣ ካሕሳና ድማ ኣሜሪካ ካብ ማእኸላይ ምብራቕ ምውጻኣ እዩ\" ክብል ንመደብር ራድዮ እታ ሃገር ሓቢሩ። ንሶሌማኒ ዝቐተለ ደብዳብ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣመሪካ፡ ንመራሒ ምልሻ ሺዓ ሙስሊም ዒራቕ ኣቡ ማሃዲ ኣል-ማሃንዲስ እውን ቀቲሉ እዩ። ፕረዚደንት ትራምፕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዒራቕ ካብ ሃገራ ንኽንወፅእ እንተኣዚዛ፡ \"ርእያቶ ዘይትፈልጥ እገዳ ክነንብረላ ኢና\" ክብል ኣፈራሪሑ'ሎ። ኣሜሪካ፡ ኣስታት 5 ሽሕ ሰራዊት ኣብ ዒራቕ ኣዐስኪራ ምህላዋ ይግለጽ። እዞም ወተሃደራት ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ዘለዎም ምንቅስቓስ ንግዚኡ ደው ከምዘበለን፡ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ድማ ናይ ግዳም ሓይልታት ካብታ ሃገር ክወጽኡ ትእዛዝ ኣሕሊፎም።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51004259"} {"headline":"ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምኽፋት ሃገራት ተማርጽ ኣላ'- ኣሜሪካ","content":"ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ኣገዳሲ ዝኾነ ወተሃደራዊ መዓስከር ከምዘድለያ ሚኒስተር ምክልኻል ኣሜሪካ ሓቢሩ። ነዚ ዕላምኣ ንምትግባር ድማ ኣርባዕተ ሃገራት ከምዝሓጸየት ኣመልኪቱ። ካብ ሰራዊት ኣሜሪካ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ኬንያ፣ ሲሼልስ፣ ታንዛኒያን ኣንጎላን ቻይና ዝመረጸተን ሃገራት እየን። ካልኦት ሃገራት'ውን ኣብ ትልሚ ቻይና እንተሃለዋ'ኳ ኣየኖት ከምዝኾና ኣይተገለጸን። እንተኾነ ንመግለጺ መንግስቲ ኣሜሪካ ስዒቡ ብወገን እተን ኣፍሪቃውያን ሃገራት ዝተወሃበ ርእይቶ የለን። ቻይና ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ጂቡቲ ካብ ዘለዋ ወተሃደራዊ መዓስከር ብተወሳኺ ብዉሑዱ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት'ያ ትልማ ከተፈጽም ትዳሎ ዘላ። በዚ መሰረት መዓስከራት ሓይሊ ኣየር፣ ሓይሊ ባሕሪን ኣጋር ሰራዊትን ንምኽፋት ውጥን ብምሓዝ ዝርርብ ከምዝጀመረት ይግለጽ። ብዘይካ ኣፍሪቃ ኣብ ሃገራት ሚያንማር፣ ታይላንድ፣ ሲንጋፖር፣ ኢንዶኒዢያ፣ ፖኪስታን፣ ሲሪላንካ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ታጃኪስታን ካልኦትን ወተሃደራዊ መዓስከራት ንምኽፋት መደብ ከምዘለዋ ተፈሊጡ'ሎ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54060477"} {"headline":"ስትራቴጂካዊ ኣገዳስነት ኤርትራን ወተሃደራዊ መዓስከራት ሃገራት ወጻኢን","content":"ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ፡ ሓደ ፍሉጥ ናይ ጀርመን ጋዜጣ \"ሩስያ ኣብ ኤርትራ ወታሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ እያ\" ዝብል ወረ ምስ ዘርገሐ፡ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር እቲ ወረ ሓቂ ዘይምዃኑ፡ ኤርትራ፡ ሩስያ ወተሃደራዊ መዓስከር ንኽትሃንጽ ዝኾነ ይኹን ውዕልን መብጽዓን ከምዘይኣተወት ሓቢሩ። እቲ፡ ንሓደ ምስጢራዊ ሰነድ መንግስቲ ጀርመን ብምጥቃስ ዝሰፈረ ጸብጻብ፡ ሩስያ ኣብ ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ወታሃደራዊ መዓስከራት ክትሃንጽ መደብ ከም ዘለዋን፡ ካብተን ሃገራት ናይ ውዕል መብጽዓ ከምዝተኣትወላን ዝሕብር'ዩ። እተን ዝተጠቕሳ 6 ሃገራት ከኣ፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ግብጺ፡ ኤርትራ፡ ማዳጋስካር፡ ሞዛምቢክን ሱዳንን እየን። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እስራኤል ካብ 2016 ጀሚራ ኣብ ኤርትራ ምስጢራዊ መደበር መስሪታ ንዝብል ጸብጻብ፡ ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገረብመስቀል እቲ ጸብጻብ ንምድንጋር ዝዓለመ'ዩ ብምባል ነጺግዎ። ኣብ መጋቢት 2020'ውን፡ ኤርትራ ወታሃደራዊ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ግብጺ ከተአንግድ ትቀራረብ ኣላ ንዝብል ወረ \"መሰረት ዘይብሉ'ዩ\" ክትብል ነጺጋቶ ነይራ። ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ሽዑኡ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ብሓደ ኣራብ ዊክሊ ዝተባህለ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ማዕከን ዜና ዝወጸኣ ጸብጻብ \"ዝተደጋገመን ዘሰልቹን ናይ ሓሶት ሓበሬታ'ዩ\" ክብል ኮኒኑዎ። እቲ ብሳባሓት ክሃን ብዝተባህለ ተንታኒ ፖለቲካ ማእከላይ ምብራቕ ዝተጻሕፈ ጸብጻብ፡ ግብጺ ኣብታ ካብ ደሴታት ዳህላክ ሓንቲ ዝኾነት ደሴት ኖራ፡ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ክትምስርት ምስ ኤርትራ ኣብ ስምምዕ ክትበጽሕ ቀሪባ ከምዘላ'ዩ ዝሕብር። ይኹን እምበር፡ ሰበስልጣን ኤርትራ ንተመሳሳሊ ክስታት ክነጽግዎ'ዮም ጸኒሖም። ንምዃኑ ስለምንታይ እዩ ከምዚ ዓይነት መግለጽታት ብተደጋጋሚ ዝስማዕ? ኣገዳስነት ረብሓታትን ወተሃደራዊ መዓስከራት እንታይ'ዩ ንምብራህ፡ ተንተንቲ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ገምጋሞም ኣካፊሎሙና ኣለው። ኣመጻጽኣን ኣገዳስነትን ወተሃደራዊ መዓስከራት ሓንቲ ሃገር ኣብ ወጻኢ ሃገር ወተሃደራዊ መዓስከር ክትምስርት እንከላ ብዙሕ ነገር ኣብ ግምት ዘእተወን፡ እቲ ዝምስረት መደበር፡ ፖሎቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ወተሃደራዊ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ካልእ ድልየታት እታ ሃገር ዝሓቖፈ'ዩ ክብል ኣቶ ኣርሄ ሓመድናካ ይገልጽ። ታሪኽ ምቛም ወተሃደራዊ መዓስከራት ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ዝነበረን ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎን እዩ። ግሪኻውያን ካብ ከባቢ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ቅድመ ልደተ ክርስቶስ፡ ረብሓታቶምን ሓይሎምን ንምሕላው ኣብ ዝተፈለለዩ መስመራት ንግድን ዕዳጋታትን ወተሃደራዊ ህላወ ይገብሩ ምንባሮም መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ። ቀጺሉ'ውን ከም ፈረንሳ፡ ኢጣልያ ከምኡ'ውን ኣብ እዋን ምስፍሕፋሕ ግዝኣት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣብ መስመራት ንግድን ሕምብርቲ ንግድን ከምኡ'ውን ዞባዉን ዓለማዉን ሓይሊ ናይ ምዃን ሕልሞም ኣብ ምትግባር ተጸሚዶም ወተሃደራዊ መዓስከራት ከፊቶም ከምዝነበሩ ይፍለጥ። ብቐንዱ ግን ሃገራት ረብሓታተን ንምክልኻልን ንምድልዳልን ወተሃደራዊ መዓስከራት ይኸፍታ ከምዝነበራ'ዩ ኣቶ ኣርሄ ሓመድናካ ይግለጽ። ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ኤውሮጳ ኣብ ክልተ ተኸፊላ። እቲ ምብራቕ ኤውሮጳ ኣብ ትሕቲ ዴሳዊ ሰልፊ እቲ ምዕራብ ድማ ኣብ ትሕቲ ርእሰማልነት ዝኣምን ስነ-ሓሳብ ተመቓቒሉ ኣብ ሓያል ወጥርን ወድድርን ኣትየን። ኣመሪካ፡ ዴስነት ኣብ ምዕራብ ኤውሮጳ ከየስፍሕፍሕ ሰሜን ኪዳን ኣትላንቲክ ዝበሃል ወተሃደራዊ ኪዳን ክትምስርት እንከላ መቀናቕንታ ሕብረት-ሶቭየት ምስ ምብራቓውያን ሃገራት ኮይና ዋርሶው ፓክት ዝብል ወተሃደራዊ ኪዳን ኣቚማ። ክልቲኣን ሃገራት ሚዛን ሓይለን ከይጎድል ገዚፍ ወተሃደራውን ቁጠባውን ወፍሪ ኣዋፊረን ከምዝነበራ ኣቶ ኣርሄ ሐመድናካ ይገልጽ። እዘን ሓያላን ሃገራት ወተሃደራዊ መዓስከራት ምስቲ ናይታ ሃገር ጆኦ-ፖሎቲካዊ ኣቀማምጣን ኣገዳስነትን ተመርኲሰን ብቐንዱ'ውን እተን ሃገራት ንረብሕአን ዘሳሲ መንግስቲ ደልየን ኣብ ወተሃደራውን ስለያውን ስራሓት ከምዝዋፈራ ይሕብር። \"እተን ሓያላን ሃገራት ከም በዓል ኣመሪካ፡ ሩስያ ኣብ ዘገድሰን ቦታታት ኣጽኒዐን ንነውሕ ዝጠመተን ቁጠባውን ጸጥታውን ረብሓታት ተሞርኲሰን ወተሃደራዊ መዓስከራት ይኸፍታ\" ይብል። ዘርእስላሰ ረዳእ'ውን እዘን ሓያላን ሃገራት እቲ ናተን ጽልዋን ረብሓን ኣብ ምድልዳል ኣብ እስትራተጂካዊ ቦታታት ምስ ካልኦት መሻርኽቲ ሃገራት ብምዃን ነተን ዘይተሰማመዓ ሃገራት እናኣፈራርሓ፡ ኣብ ኤውሮጳ፡ ኤሽያ፡ ማእከላይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣስፋሕፊሐን ይብል። እዚ ኣብ ዝሑል ኩናት ዝነበረ ውድደር ድማ ምስ ምፍራስ መንደቕ በርሊን ኣብ 1989 ኣብቂዑ ኣብ ዓለም ተዛማዲ ሰላምን ምርግጋእን መጺኡ። ምፍራስ መንደቕ በርሊን ድማ ንታሪኽ ዓለም መበል 21 ክፍለ ዘመን ካብ ዝቐየሩን ክስተታት እቲ ዝዓበየ ከምዝነበረን ኣብ ዓለም ድማ ሓዲሽ ግሎባላዊ ስርዓት ኣትዩ። ኣብ 90ታት ድማ ኣመሪካ ንዓለማዊ ስርዓት ዓብላሊት ኮይና ጸብልል ኢላ ተራእያ። ይኹን እምበር፡ ዓለም ነቲ ዝተረኸበ ሰላምን ርግኣትን ከየስተማቐረት ብ11 መስከረም 2001፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ብጉጅለ ኣልቃዒዳ ዝተዋደደ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ከተማታት ኣመሪካ ብዝተጨውያ ነፈርቲ ተኻየዱ። ኣመሪካ ንግበረ ሽበራዊ ጉጅለ ኣልቃዒዳ ንምድምሳስን ንመራሒኣ ኦሳማ ቢን ላደን ንምቕንጻልን ናብ ኣፍጋኒስታን ካልኦት ሃገራትን ሰራዊታ ክትልእኽ ጀመረት። ኣመሪካ፡ ንምንቅስቓስ ግበረ ሽበራውያንን ንግበረ ሽበራ ዝድግፋ ሃገራትን መስመራትን ንምምካን ድማ ኣብ ኤሽያ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣፍሪቃ ገዚፍ ሰራዊት መዓስከራትን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለም ክትከፍት ከምዝጀመረት ኣቶ ዘርእስላሰ ረዳእ ይገልጽ። ዕጡቓት እስላማውያን ጉጅለታት ብወገኖም ንመሻርኽቲ ኣመሪካ ዝኾናን ድኹማት ሃገራት ዓለም ስግኣት ብምዃኖም፡ ረብሓታት እዘን ሓያለን ሃገራት መጥቃዕቲ ክገብሩ ብምጅማሮምን፡ ኣመሪካን ካልኦት ሓደሽቲ ዞባውያን ሃገራትን ረብሕኣን ንምክልኻል ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም ወተሃደራዊ መዓስከራት ከፊተን ይርከባ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣመሪካ ነቲ ብሒታቶ ዝጸንሐት ዓብላሊት ዓለማዊ ስርዓት፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት እታ ብቑልጡፍ ቑጠባውን ተክኖሎጂካውን ዕብየት ተርኢ ዘላ ሃገረ ቻይና ከምኡ'ውን በታ ንነዊሕ እዋን መቐናቕንታ ዝኾነት ሩስያ፡ ሓያል ብድሆ ይገጥማ ከምዘሎን ሃገራት ዓለም ድማ ነዚ ምዕባለታት ብምርኣይ ናብ ዝኣምንኦ ደምበ ክጸጋግዓ ይቀዳደማ ከምዘለዋ ኣቶ ኣርሆ የረድእ። ስትራቲጂካዊ ኣገዳስነት ኤርትራ ኤርትራ፡ ኣብ ኣገዳሲ ስትራቴጂካዊ ጆኦ-ፖሎቲካዊ ቦታ ተደኲና ብምህላዋ ብሓያላት ሃገራት ዓለም ተጠማቲት ከምዝገበራን፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ማለት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ቅድምን ድሕሪ ናጽነትን ኤርትራ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ተገዳስነቶም ኣርእዮም ከምዝነበሩ ኣቶ ዘርእስላሰ ይሕብር። ኣብ 40ታት ኣብ 50ታት ኣብ ቃኘው ኣብ እዋን ዝሑል ኩናት ናይ ኣሜሪካ ወተሃደራዊ መዓስከር ከምዝነበረን፡ እዚ ድማ ኣብ ናጽነት ኤርትራ ዓቢ ጽልዋ ከምዝነበሮን ይገልጽ። \"ኤርትራ ናጽነታ ትርከብ'ዶ ኣይትርከብ ኣብ ዝበሃለሉ ግዜ ሳዕቤናት ነይርዎ። ምኽንያቱ እተን ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበራ ዓበይቲ ሃገራት ነቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ከም ሓደ ረቛሒ ይጥቀማሉ ነይረን። ኤርትራ ናጽነታ ክትረክብ ወይ ከኣ ኣካል ኢትዮጵያ ክትከውን ኣለዋ ኣብ ዝበሃል\"። እዚ ክትዕን ወተሃደራዊ መዓስከራትን ድማ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዓቢ በሰላ ከምዝገደፈ ይሕብር። ኣቶ ኣርሄ ሓመድናካ ብወገኑ፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዝበዝሐ ነዳዲ ዓለምና ዝመሓላለፈሉ ኣገዳሲ መስመር ንግድን ንኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ብቐሊሉ እትቆጻጸረሉ ወተሃደራዊ መትኒ ብምዃኑ ካብ ቀደም ኣትሒዘን ኩለን ሓያላን ሃገራት፡ ነቲ ዞባ ምስ ረብሕአን ኣተሓሒዘን ከምዝጥምተኦን ክቆጻጸርኦ ከምዝፍትናን ይገልጽ። ድሕሪ ናጽነት'ውን እንተኾነ፡ ወላ እኳ ብዙሕ ሓበሬታ እንተዘየለ ብዙሓት ሃገራት ወተሃደራዊ መዓስከራት ክኸፍታ ጽዒረን እየን ዝበል ዜርእስላሰ፡ ኤርትራ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዓበይትን ናእሽቱን ደሴታት ሰለዘለዋ፡ እስራኤል ነቲ ካብ ሃገራት ኣዕራብ ዝመጽኣ ምፍርራሕ ንምግታእ ኣብተን ደሴታት ወተሃደራዊ መዓሰከር ክትከፍት ድልየት ከምዝነበራ ዝሕብር ምንጭታት ከምዘሎ ይገልጽ። እዚ ኣብ ጅቡቲ ተኸፊቱ ዘሎ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ከይተኸፍተ'ውን ኣብ ገለ እዋን ሓደ ኣመሪካዊ ጀነራል ናብ ኤርትራ በጺሑ ምንባሩ የረድእ። ብድሕሪኡ'ውን ኢራን ኣብቲ ከባቢ ድልየታት ኣርእያ ከምዝነበረትን ብዙሕ ጽንጽንታት ከምዝጸንሓን፡ ኣብዚ እዋን ድማ ኢማራት ዓረብ ኣብ ወደብ ዓሰብ ወተሃደራዊ መዓስከር ከምዘለዋ እዚ ድማ ነቲ ናይ ኤርትራ ስተራተጂካዊ ኣገዳስነት ዘርኢ'ዩ ይብል። እዘን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ስለምንታይ ንኤርትራ ቀሪበንኣ ኣብ ዝብል፡ እስራኤል ብሃገራት ዓረብ ተኸቢባ ብምህላዋ፡ ኣመሪካ'ውን ንምንቅስቓስ ግበረሽበራውያን ንምምካን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ረብሓ ንምክልኻልን፡ ኢራን'ውን ነቲ ኣብ የመን ዘሎ ወጥሪ ብቐሊሉ ኢዳ ከተእቱ ዝብል እዩ ብምባል ዘርእስላሰ ይገልጽ። እዘን ኩለን ሃገራት ንኤርትራ ሓልየን ዘይኮነስ ረብሓታተን ድልየታተንን እተሳሲ ሃገር ደልዮም ከምዝመጽኡን ዝሓበሩ ክልቲኦም ተንተንቲ፡ ንመሬት ኤርትራ ድማ ከም መሰጋገርን መሰልጠን ቦታ እምበር ንኻልእ መዓላ ከምዘይዕውልዎ ይገልጹ። ወተሃደራዊ መዓስከር ረብሓ ኣለዎ'ዶ ዝብዝሓ እዘን ኣብ ካልኦት ሃገራት ወተሃደራዊ መዓስከራት ዝኸፍታ፡ ምስ ካልኦት ሃገራት ኣብ ግጭት ዝኣተዋ ኮይነን፡ መብዛሕትኡ እዋን ነቲ ግጭት ናብ ካልኦት ሃገራት ሒዘንኦን ከምዝኸዳን፡ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝፈቐደት ልኡላዊት ሃገር ድማ ልኡላውነታ ብቀጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ከምዝጽሎን ኣብ ኲናት ከምትኣቱን ኣቶ ዘርእስላሰ ይገልጽ። ልኡላውነት እታ ሃገር'ውን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከምዝኣቱ ዝሓበረ ዘርእስላሰ፡ ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ እዘን ሃገራት ዝገብርኦ ወተሃደራዊ ስርሒታት ኣገልጋሊ እዘን ሓያላን ሃገራት ኬንካ ከምእትተርፍ ወሲኹ የረድእ። \"ታሪኽ ከም ዝሕብረና እተን ናይ ወጻኢ መዓስከራት ኣብ ዘአንግዳ ሃገራት ብስራሕ ዝመጽኡ ኣባላት ዝኾነ ይኹን ገበን ምስ ዝገብሩ ምስተን ሃገራት ናይ ኢሚዩኒቲ\/ውሕስነት ስምምዕ ስለዘለዎም እቲ ዝፈጸምዎ ገበን ስለዝሸፋፈን ኣይሕተቱን እዮም። ብእኡ መጠን እውን ብዙሕ ናይ ዓመጽ፡ ብልሽውና ኣከያይዳ ኣሎ። ንሱ ጥራሕ ዘይኮነሲ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርካ ዘሎ ፖለቲካዊ ድሞክራስያዊ ኣከያይዳታት እውን ብዙሕ ግዜ ይጸልዎ እዩ\" ይብል። ኣርሄ ሓመድናካ'ውን መብዝሕትኣን እዘን ወተሃደራዊ መዓስከራት ዘለወን ሃገራት ጥዑይ ምሕደራን ወይ'ውን ፍታሓዊ ዝኾነ ስርዓት ዘለወን ኣይኮናን ይብል። \"እቶም ስርዓታት ንስልጣኖም ንምንዋሕ ዲፖሎማስያውን ቁጠባውን ሓገዛት ዝረኽብሉ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣንጻሩ ዝተላዕለ ናዕቢ ወይ ግጭት እንተተኸፊቱ እተን ሃገራት ክሕግዛ ይኽእላ እየን። ገለ ጥቕምታት ኣሎዎ። ብዓቢኡ ግን ነተን ርእሰ ሓያላን ኣዝዩ ነዊሕ ዝጠመተ ስለዝኾነ ኣብቲ ዞባ ናተን ጸብልትነትን ህላውኣንን ከረጋግጻ ይሕግዘን\" እቲ ቁጠባዊ ረብሓ ከኣ፡ እተን ወተሃዳራዊ መዓስከራት ዘለወን ሃገራት ካብ ናይ ኣጽዋርን ታዕሊምን ደገፍ እንተዘይኮይኑ ካልእ ዝተጋነነ ረብሓ ከምዘይብለን ዝገልጽ ዘርእስላሰ፡ እታ ሓያለ መዓስከራት ሓያላን ሃገራት ዘለዋ ጅቡቲ ካብ ክራይን ንበጻሕቶም ናይ ታክሲ ኣገልግሎት ካብ ምሃብን ሓሊፋ ብዙሕ \"ዝረአ ቁጠባዊ ረብሓ ኣለዎ ኢልካ ክትዛረብ ዝከኣል ኮይኑ ኣይስምዓንን\" ይብል። ህላወ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣብ ጁቡቲ ድማ፡ ንኹሎም ኣብታ ሃገር ተዋፊሮም ዘለው ወገናት ከም ክልተ ዝብልሑ መላጸ ተባሂሉ'ዩ ዝግለጽ። ጅቡቲ ወላ እኳ ከባቢ 300 ሚልዮን ዶላር ዓመታዊ እቶት ከም እትረክብ እንተተገልጸ፡ በቲ ኻልእ ወገን ግን፡ እታ ሃገር ማእከል ሰፈር ስለያታት ናይዘን ሓያላን ሃገራት ኮይና ትርከብ። እዚ ኣብ ጁቡቲ ተኣኻኸኺቡ ዘሎ ማዕስከራት ዓበይቲ ሃገራት ብገለ ምስሕሓብ ግጭት እንተተፈጢሩ ከኣ፡ ጅቡቲ ናብ ዓውደ ወግእ ክትቅየር ትኽእል እያ። ኤርትራ ብወገና፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ስትራተጂካዊ ቦታ ተደኲና ብምህላዋ ኣቓልቦ ናይ ብዙሓት ሓያለን ሃገራትን ጎረቤታ ኢትዮጵያ'ውን ንቐይሕ ባሕሪ ክትቆጻጸሮ ድልየት ከምዘለዋ ክገለጽ ጸኒሑ'ዩ። ኤርትራ ንተጻብኦ ጎረባብታ ሃገራት ኣብ ሓያላን ሃገራት ተጸጊዓ ክትምክቶ ትኽልእ'ዶ ንዝብል ከኣ፡ ኣቶ ዜርእስላሰ ክምልስ እንከሎ፡ \"ንዝኾነ ነገር ኣብ ታሪኽ ተሞርኩስና ክንርእዮን ክንግምግሞን ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት ደቡብ ኮርያ፡ ንኣሜሪካ ወተሃደራዊ መዓስከር ብምርካባ ረቢሓ'ዶ እንተይልካ ኩሉ ግዜ ክልቲአን ኮርያታት ኣብ ሓደጋ ኒዩክለራዊ ኲናት እየን ዝርከባ\" ይብል። ወላ እኳ ደቡብ ኮርያ ብቑጠባ እንተረቢሓ፡ ምስ ቻይና ዘለዎም ቕልስ ንኸዕወቱ ድጎማ እናገበሩ በዝን በትን ንብረት ብምእታው ቁጠባዊ ረብሓ ከምዝረኸበት እንተተዛረቡ ብዓቢኡ ግን እቲ ኒዩክለሳዊ ኲናት ኣንጻላሊይዋ ምህለው ይዛረብ። ኤርትራ'ውን ዋላ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተጻባእቲ ሃገራት እንተለውዋ፡ እቲ ቀንዲ መፍትሒ ወተሃደራዊ መዓስከር ምትካል ከምዘይኮነን'ዩ ዜርእስለሰ ዝኣምን። \"ብዙሕ ግዜ ታሪኽ እተን ወተሃደራዊ መዓስከራት ዘለወን ሃገራት ከም ዘረድኣና፡ ወተሃደራት ናይዘን ዓበይቲ ሃገራት በዓል ዩናይትድ ዓረብ ኢማራት፡ ቱርኪ፡ ቻይና፡ ሩስያ፡ ኣሜሪካ እውን እንተኾነት፡ ብዙሕ ግዜ ብኣብቲ ከባቢኻ ዝርከባ ሃገራት ብዓይኒ ጥርጠራ ከምእትረአ እዩ ዝገብር። ። ኩሉ ግዜ ሓደጋ ክወድቀና እዩ ዝብል ፍርሕን ኣተሓሳስባን ኣሎ። እዚ ድማ ንዓኻ ከም ሃገር፡ ምስተን ኣብ ጎረባብትኻ ዘለዋ ሃገራት እቲ ምትእምማን ዘለዎ ዝምድናታት ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ\" ይብል። እዚ ድማ ንዝያዳ ሓደጋ የቃልዓካ እምበር ዝኾነ ጸጥታዊ ቁጠባውን ረብሓ ኣይህብን'ዩ ዝብል ርእይቶ ኣለዎ። እቲ ቀደም ኤርትራ ዝነጸገቶ ወተሃደራዊ መዓስከር ስለምንታይ ሕጂ ኣድልዩ? ኣብዚ እዋን እዚ ንሩስያ ምሕጋዝ ማለት መርገጺ ምሓዝ ማለት ስለዝኾነ ኣብ ዓይኒ ምዕራባውያን ምእታው እዩ። ስለዝኾነ፡ እቲ ዝርከቦ ወተሃደራውን ንዋታውን ጸጥታውን ሓገዝ ንሓጺር ግዜ ስለዝኾነ፡ ከምዚ ዓይነት ንኤርትራ ከምዘይረብሓ ይገልጽ። ኣቶ ኣርሄ'ውን ብወገኑ፡ እዘን ሃገራት ወላ'ኳ ኣንጻር ሽበራውያን ሓይልታትን ቅርሰናን ክቃለሳ እንተመጽኣ፡ ዝያዳ ናተን ፖለቲካዊ ስትራተጂ ከምኡ'ውን ረብሓታተን ኣቐዲመን ከምዝሰርዓ'ዩ ዝገልጽ። ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ 2001 ጀሚሩ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣገዳሲ መጓዓዓዚ መስመር ነዳዲ ስለዝኾነ ብዙሓት ዞባውያንን ኣህጉራውያን ሓይልታትን ፡ ወተሃደራዊ መዓስከራት ከፊተን ይርከባ። ። ብሓፈሻ ፖሎቲካዊ ቅልውላው ቀርኒ-ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኩነታት ኢትዮጵያ፡ ሶማልያ፡ ሱዳን በብእዋኑ ብሰንኪ ውሽጣዊ ዘይምርግጋእ እናበኣሰ ይኸይድ ኣሎ። ርእሰ ሓያላን ሃገራት ምዕራብ፡ ርሑቕ ምብራቕን ማእከላይ ምብራቕን፡ ንቀይሕ ባሕርን፡ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝገብርዎ ምትእትታው ብጋህዲ ክረኣ ጸኒሑ'ሎ። ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ'ውን ብሰንኪ ኣብቲ ሃገራትን ዘሎ ፖሎቲካዊ ቅልውላው፡ መሰረታዊ ፖሎቲካውን ቁጠባውን ዕድላቱ ተጨፍሊቑ፡ ኣብ ልዕሊዑ ንነዊሕ ዘመናት ዝቐጸለ ኣደራዕ ተሰኪሙ ኣደዳ ስደትን ሞትን ኮይኑ ይርከብ። እዚ ርግኣት ዝሰኣነ ዞባ ድማ ኣብ ኣስካፊ ኩነታት ከምዘሎ ኣቶ ዜርእስላሰ ረዳእ ይገልጽ። ሱዳን፡ ኣብ እዋን መሰጋገሪ መንግስቲ ምህላዋ፡ ኣብዚ እዋን ድማ ብዙሕ ጸገማትን ማሕበረ ቁጠባዊ ጸገማት ከምዘጓነፋን፡ እቲ ዘሎ ምዕባለታት ግን ኣወንታዊ ከምዝኾነ ክሰሓት የብሉን ይብል። ኢትዮጵያ'ውን ብወገና ብሰንከ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ዓሌታዊ ምትፍናን ጎንጽን፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍልይ ዝበለ ዘይምርግጋእን ዕግርግርን ከየስዕብ ስክፍትኡ ይገልጽ። ኤርትራ'ውን ብወገና እቲ ዘሎ ሕማቕ ምሕደራ፡ ጉድለት ናይ ደሞክራሲ፡ ኣብ ወልቀምልኪ ዝተመርኮሰ 'ናይ ገባርን ሓዳግን ስልጣን ዘለዎ መንግስቲ ብምዃኑ እታ ሃገር ኣብ ቁጠባውን ሰኣብውን ቅልውላው ኣቲያ ትርከብ። እዚ ፍትሒ ዝጎደሎ ኣስራሕሓ ድማ ነቲ ዞባ ኣብ ከቢድ ስግኣትን ወጥርን ኣእቲይዎ ከምዘሎ ኣቶ ኣርሄ ወሲኹ የረድእ። ነዚ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ብሰንኪ ኣብ መንጎ ዞባውያን ሓይልታት ዝግበር ቁሩቁስ ኣብ መንጎ ግብጽን ሱዳንን ከምኡ'ውን ኢትዮጵያን ግብጽን ዘሎ ምፍጣጥ ፈለግ ኒል፡ ኣብ መንጎ ግብጺ፤ ስዑዲ ዓረብ፤ ኢማራትን ብሓደ ወገን ድማ ኢራን፤ ቀጠር፤ ቱርኪ ውድድር ነቲ ዞባ ስላምን ርግኣት ከሊእዎ ከምዘሎ ኣቶ ኣርሄ የሕብር። ኤርትራ፡ ኣብቲ መላግቦ ቀርኒ ኣፍሪቃን ሓውሲ ደሴት ዓረብን ከምኡ'ውን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንወተሃደራዊ መዓስከራት ክኾና ዝኽእላ ሓያለ ደሴታት ስለዘለዋ ጸጥታኣን ልዑላውነታን ኣብ ምዕባለን ርግኣትን መጻኢኣ ኣገዳሲ ምዃኑ እቶም ተንተንቲ ፖለቲካ ይሕብሩ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/54052102"} {"headline":"ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ሰበ-ስልጣን ምክልኻል ፈረንሳ ይዘራረቡ","content":"ብሚኒስተር ምክልኻል ኣቶ ለማ መገርሳ ዝምራሕ፡ \"ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት\" ዝሓቖፈ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ፈረንሳ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ ክብላ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢረን። እቲ ጉጅለ ልኡኽ፡ ብዛዕባ'ቲ ምስ ፈረንሳ ዝህሉ ወታሃደራዊ ምትሕግጋዝ ምስ ሰበ-ስልጣን ፈረንሳ ክዘራረብ ትጽቢት ይግበረሉ። ፈረንሳ፡ ንሓይሊ ኣየርን፡ ነቲ ገና ዝፍልም ዘሎ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንምዕጣቕን ምስልጣንን ክትተሓባበር ምዃና ኣቐዲማ ተሰማሚዓ ምንባራ ይፍለጥ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኢትዮጵያ ምዕቡል ሚሳይላት ካብ ሩስያ ክትገዝእ መደብ ከም ዘለዋ'ውን ገለ ማዕከናት ዜና ተዛሪበን። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ሚኒስተር ምክልኻል ለማ መገርሳ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣሰንዩ ኣብ ኤርትራ በጺሑ ነይሩ። ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ (ኢታ ማጆርሹም) ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ጀነራል ኣደም መሓመድ ናብ ኤርትራ ከም ዝሰዓቦን፡ ምስ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ከም ዝተዘራረቡን ጸብጻባት ገሊጾም። መራሕቲ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ንሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ ንምውሓስ ጸጥታዊ ምትሕግጋዝ ከም ዝገብሩ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ ፍሊጦም ነይሮም። እንታይ ዓይነት ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ግን ብዝርዝር ኣየነጸሩን። እታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ፡ ሓይሊ ባሕሪ ከተቕዉም ምውሳና፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን ኣሻቓሊ ኮይኑ ጸኒሑ'ሎ። ኤርትራ ኣብ 1991 ሓርነታ ድሕሪ ምጉንጻፋ፡ እቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምሉእ ብምሉ ፈሪሱ'ዩ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51297817"} {"headline":"ወዲ ቢንላደን ከም ዝተቐትለ ትራምፕ ኣረጋጊጹ","content":"ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ወዱ ንቢንላደን፡ መስራቲ ጅሃዳዊ ጉጅላ ኣልቃዒዳ፡ ሃምዛ ቢንላደን፡ ወታሃደራት ኣመሪካ ኣብ ዘካየድዎ ስርሒት ከም ዝተቐትለ ኣፍሊጡ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ብናይ ኣየር መጥቃዕቲ ከም ዝተቐትለ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ፡ ጸብጺበን ነይረን። ኣመሪካ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣብ መዝገብ ኣሸበርቲ ውልቀሰባት ኣእትያቱ ምንባራ ይዝከር። ሃምዛ ቢንላደን ንኣቦኡ ክትከኦ ዓቕሚ ዘለዎ ሰብ ተባሂሉ'ዩ ዝእመነሉ ነይሩ። እቲ ወዲ 30 ዓመት ከም ዝኾነ ዝንገረሉ ሃምዛ፡ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራት መጥቃዕትታት ክፍጸም ክጽውዕ ጸኒሑ'ዩ። \"ሃምዛ ቢንላደን፡ ላዕለዋይ ሓላፊ ኣልቃዒዳን ወዲ ቢንላደንን ኣብ ከባቢ ኣፍጋኒስታን\/ፓኪስታን ብዝተኻየደ ስርሒት ኣንጻር ግብረሽበራ ኣመሪካ ተቐቲሉ'ሎ\" ክብል ትራምፕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። \"ኣልቃዒዳ፡ ሃምዛ ቢንላደን ምስኣና፡ ወዲ ቢንላደን ምዃኑ ዝወሃቦ ክብሪ፡ መሪሕነትን ክእለትን ዘስእና ጥራይ ዘይኮነ፡ ንስርሒታዊ ዓቕሚ ናይቲ ጉጅለ ዘዳኽም'ውን እዩ።\" እቲ መግለጺ፡ እቲ ስርሒት መዓስ ከም ዝተኻየደ ኣይገለጸን። ኣመሪካ፡ ከትሕዞ ዝኽእል ሓበሬታ ንዝሃበ ሓደ ሚልዮን ዶላር ክትህብ ምዃና ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ኣፍሊጣ ነይራ። ሃምዛ ቢንላደን ሓደ ካብ መንእሰያት መራሕቲ ኣልቃዒዳ ምዃኑ ክንገረሉ ጸኒሑ'ዩ። ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ከም ዝተቐትለን ወታሃደራት ኣመሪካ ከም ዝተሳተፍዎን እኳ ክግለጽ እንተጸንሐ፡ ኣበይን መዓስን ግን ብንጹር ኣይተገልጸን። ቢንላደን ኣብ ጎን'ቶም ኣንጻር ምትእትታው ሕብረት ሶቬት ዝቃለሱ ዝነበሩ ሙጃሃዲን ኣፍጋኒስታን ንምውጋእ ኣብ መወዳእታ 1980ታት ናብታ ሃገር ድሕሪ ምእታው፡ ኣብ 1989 ወጺኡ። ቢንላደን ኣብተን ዓመታት እቲኣተን ንጉጅለ ኣልቃዒዳ መስሪቱ። ኣብ 1996 ናብ ኣፍጋኒስታን ብምምላስ ድማ፡ ማዓስከራት ብምኽፋት ኣባላት ከሰልጥን ጀሚሩ። ኣልቃዒዳ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ፡ ኣይሁዳውያንን ካልኦት መሓዙት ሃገራትን ኲናት ኣዊጁ ምንባሩ ይዝከር። ንሱ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብመንግስቲ ጣሊባን ይድገፍ ምንባሩ ይግለጽ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49703385"} {"headline":"ደቂ-ኣንስትዮ ላይቤርያ ወታሃደራት ንምዃን \"ብቑዓት ኣይኮንክንን\" ይበሃላ","content":"ኣባላት ምክልኻል ላይቤርያ ንምዃን ካብ ዘመልከታ ደቂ እንስትዮ፡ እተን ዝበዝሓ፡ ብምኽንያት ኣካላዊ ብቕዓት ክሓልፋ ከምዘይከኣላ ወታሃደራዊ ሰብመዚ ገሊጾም። ካብተን ኣመልከትቲ እተን 80 ምኢታዊት በቶም መልመልቲ ተቐባልነት ኣይረኸባን። ካብቶም መመዘኒታት፡ \"ዝተወሰነ ዓይነታት ሰፖርት፡ ከም 'ፑሽ-ኣፕ'፣ 'ሲት-ኣፕ'ን ናይ ክልተ ማይል ጉያን ክፍጽማ\" ትጽቢት ከምዝግበረለን ሓላፊ ምክልኻል እታ ሃገር ሜጀር ጀነራል ፕሪንስ ጆንሰን ተዛሪቡ። ካብ ገጠር ዝመጻ ደቂ ኣንስትዮ ብኣካላዊ ብቕዓት ዘሐሸ ውጽኢት እኳ እንተረኸባ፡ ኣብ ናይ ብልሒ ኣእምሮ (aptitude) ፈተና ግን ማዕረ'ተን ደቂ ከተማ ኣይኮናን ይብል። ኣብቲ ድሕሪ ሕድሕድ ኩናት ዝተጣየሰ ሰራዊት ላይቤርያ፡ ናብቲ ሰራዊት ንምእታው እንተወሓደ ካልኣይ ደረጃ ክትውድእ ትግደድ። ቅድሚ ምልመላ ስልጠና ክህቡ ከምዝወሰኑ ዝገለጸ እቲ ጀነራል፡ ኣባላት እቲ ሰራዊት ክኾኑ ንዝደልዩ ናይ ኣርባዕተ ሰሙን ቅድመ ስልጠና ክወሃብ ምዃኑ ሓቢሩ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/51477120"} {"headline":"40 ሽሕ ብር ጉቦ 'ኣይቅበልን' ዝበለ ኣባል ፖሊስ ክልል ዓፋር፡ እንታይ ይብል?","content":"ዋና ሳጅን ሲራክ ዓብደላ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር፡ ወረዳ ኤልደኣር ኣባል ፖሊስ ቀበሌ ማንዳ ኮይኑ የገልግል። ሳጂን ሲራጅ ኣባል ፖሊስ ኮይኑ ክሰርሕ ካብ ዝጅምር ከባቢ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ከም ዝኾኖ ይዛረብ። እቲ ከባቢ ዶብ ስለዝኾነ ዝውውር ዘይሕጋዊ ኣጽዋርን ዘይሕጋዊ ንግዲ (ኮንትሮባንድ)ን ብበዝሒ ከም ዝፍጸመሉ ኣብ ጻንሒቱ ክግንዘብ ክኢሉ'ዩ። 8 መስከረም 2012 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ከባቢ ፍርቂ ለይቲ፡ ሓንቲ መኪና ጥርሓ ንምሕላፍ ክትፍትን ከላ ይርእይ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ንዕኡ ሓዊሱ ኣርባዕተ ኣባላት ፖሊስ ኣብቲ ቦታ'ኳ እንተነበሩ ናብቲ'ታ መኪና ትመጸሉ ዝነበረት መገዲ ዝኸደ ግን ንሱ ጥራይ ነይሩ። ነቲ መገዲ ብምዕጻው ድማ እታ መኪና ደው ክትብል ሓቲቱ። ንሱ ብዘሕለፎ ትእዛዝ መሰረት ዘዋሪ መኪንኡ ደው ኣበላ። ዋላ ሓደ ዝጸዓነቶ ነገር የለን። ኣብ ውሽጢ ጋቤና ግን እቲ ዘዋሪ፣ ሓጋዚኡ ከምኡ'ውን ካልእ ሰብ [ናይታ መኪና በዓል ዋና ከም ዝኾነ ዝገልጽዎ] ነይሮም። ሳጂን ሲራጅ 'በዚ ሰዓት'ዚ ገለ ጽዕነት ከይሓዙ ደኣ ንምንታይ'ዮም ዝጓዓዙ?' ዝብል ጥርጣረ ኣብ ውሽጡ ይሓድሮ። \"እቲ ቦታ ግንባር ስለዝኾነ ብዘይካ ናይ ሰራዊት ምልክኻል፡ ካልኦት መኻይን ክሓልፋ ዝተለመደ ኣይኮነን\" ክብል ነቲ ኣጋጣሚ ብጥርጣረ ክርእይ ዘኽኣሎ ምኽንያት ይዛረብ። ቅድሚ ሕዚ'ውን ካብ ሕብረተሰብ ጥቆማ (ሓበሬታ) በጺሕዎ ስለዝነበረ፡ ሒዝዋ ዝነበረ ላምባዲና ናብታ መኪና ኣብሪሁ ክፍትሽ ጀሚሩ። ክጠራጠር ዝኸኣለሉ ምኽንያት ትርጉም ኣልቦ ኣይነበረን። ኣብ ልዕሊ ጎማ ናይታ መኪና ብመሸማዕ (ጭረት) ዝተቛጸረ ነገር ርእዩ። \"እዚ ደኣ እንታይ እዩ?\" ክብል ሓተቶም። ናይቶም ሰባት መልሲ \"ንፈልጦ ነገር የለን\" ዝብል ነይሩ። ፈተሻ ብምክያድ ኣብ ውሽጡ 29 ክላሽንኮቭ ዓይነት ኣጽዋር ምህላው ምስኣረጋገጸ፡ ናብ ጣብያ ፖሊስ ንክኸዱ መምርሒ ሃቦም። ንሳቶም፡ ሓደ መሳርሒ (ዕጥቂ) ምስ ኣርብዓ ሽሕ ብር ክህብዎ ምድርዳር'ኳ እንተጀመሩ፡ ሳጂን ግን ነቲ ኣርበዓ ሽሕ ብምሓዝ ምስ ሙሉእ ኣጽዋሮም ኣብ ቀይዲ ከውዕሎም ክኢሉ። \"ኣርብዓ ሽሕን ሓደ ክላሽንን ካብ ድሕነት ሃገር ዝበልጽ ኣይኮነን\" ክብል ይዛረብ ሳጂን ሲራክ። ዝናን ሽልማትን እዚ ተግባሩ ብዜና ምስተቓልሐ ዝንኡ ናብ ኩሉ ተባጺሑ። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ብምጽዋዕ ናይ ምስጋና ምስክር ወረቐት ሂብዎ። ይትረፍ'ዶ ካብ ቀዳማይ ሚንስትር ካብ ካልእ ዝኾነ ይኹን ኣካል \"ሽልማት ክወሃበኒ'ዩ\" ዝብል ትጽቢት ዘይነበሮ ሳጂን ሲራጅ፡ እቲ ሽልማት ሓጎስን ወነን ከም ዝፈጠረሉ ይዛረብ። \"ከምዚ ዝበለ ተግባር ርኢና ክንሓልፎ ከም ዘይብልና ኣብ እዋን ስልጠናና ቃል ዝኣተናሉ ጉዳይ'ዩ\" ክብል ድማ ድሕነት ሃገርን ህዝብን ውሑስ ምግባር ሞያዊ ግቡኡን ሓላፍነቱን ምዃኑ ኣረዲኡ። መንግስቲ ክልል ዓፋር ሽልማት 50 ሽሕ ሂብዎ'ሎ። ናይቲ ክልል ኮሚሸን ፖሊስ ከኣ መዓርግ ዋና ሳጂን ከም ዝሃቦ፡ ኮሚሽነር ዓሊ ቢኒ [ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ዓፋር] ንቢቢሲ ተዛሪቦም። \"'40 ሽሕ ክህብዎ ምስፈተኑ 'እምቢ' ኢሉ' ኢልና ንፕረዚደን ክልል ዓፋር ምስነገርናዮም፡ 'ካብቲ ናታቶም ዝበለጸ ክንሽልሞ ኢና' ኢሎም 50 ሽሕ ብር ሸሊሞምዎ\" ኢሎም። \"ንዘዋሪ መኪና ከዘራርቦ ከለኹ፡ 'መኪናና ጥርሓ ስለዝነበረት ከቢድ ፈተሻ ኣይግበርን' ብዝብል ነቲ 'ደው በሉ!' ዝብል ትእዛዝ ሳጂን ሲራጅ ተቐቢሎም ደው ምባሎም ነጊሩኒ'ዩ\" ክብሉ ወሲኾም ሓቢሮም እቶም ኮሚሽነር። ፖሊስ ፌደራል እውን ንሳጂን ሲራጅ ወረቐት ምስክርን ሞባይል ስልክን ሸሊምዎ'ዩ። ኮሚሽነር ዓሊ ንቢቢሲ ከም ዝሓበርዎ እቶም ዝተትሓዙ ተጠርጠርቲ ኣብ ቀይዲ ውዒሎም ምጽራይ ይግበር ኣሎ። ቅድሚ ወርሒ ሓንቲ ሚኪና ሰርዶ ንዝተበሃለ ኬላ [ኣብቲ ክልል ዝርከብ መፈተሺ ናቑጣ] ጥሒሱ ብምሕላፍ፡ ኣብ መእተዊ ሎጊያ ምስ ዝጸዓኖ ብዙሕ ኣጽዋርን ጠያይትን ኣብ ቀይዲ ምውዓሉ'ውን ኣዘኻኺሮም።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49821895"} {"headline":"ንኽልተ ምክልኻል ሰራዊት ሃገር ዝተሰለፋ ኣሓት","content":"እዘን ክልተ ዓባይን ንእስትን፡ ኣብ ምዕራባዊት ኣፍሪቃ ዝኾነት ሃገር ሴራልዮን እየን ተወሊደን። እታ ንእሽቶ፡ ዓዳ ንክትሕሉ ወተሃደራዊ ስልጠና ወሲዳ ኣባል ሰራዊት ሴራልዮን ኮይና ተገልግል ኣላ። ዓባይ ሓፍታ ድማ፡ ናይ ሃገራ ሴራልዮን ባዕዳዊ ገዛኢት ዝነበረት፡ እንግሊዝ [ብሪጣንያ] ወተሃደር እያ። እታ ንእሽቶ፡ ሓለቃ ሚኢቲ ማቲልዳ ማቱ ሞይዎ፡ ዓባይ ሓፍታ ወተሃደር ከምዝኾነት ዝፈለጠት ስልጠናኣ ወዲኣ ኣብ እዋን ስነ ስርዓት ምርቓ እዩ። እታ ዓባይ ሓፍታ፤ ሓለቓ ዓሰርተ ሉሲ ሞይዎ፡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከይዳ ስራሕ ኣብ እተተኣላልሸሉ እዋን፡ ዝኾነ ምልክታ ምስረአየት እያ ወተሃደር ንምዃን ወሲና። ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ እንግሊዝ ዝነበራ ሃገራት ዜጋታተን ናይ እንግሊዝ ወተሃደር ክኾና ዘፍቅድ። \"ሓወይ ብዘለዎ ኮይኑ ወያነ፡ ኣነ በዚ ኮይነ ሻዕቢያ እናበልኹ ይሰርሕ ነይረ\" ሕሩያት ዛንታታት ሓደ ዓመት ፈላማይ ብምስግጋር ማህጸን ዝተወለደተ ዕሸል እታ ንእሽተን ሓፍታ ብሞያ ጂኦሎጂስት እያ ነይራ። እንተኾነ፡ ከም ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ኣብ 2017 ኣብቲ ዓዲ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ስዒቡ፡ እቲ ስራሕ ኣይፈተወቶን። ዓባይ ሓፍታ ምስ ኣማኸረት፡ ንዓይ ምሰሊ ዝብል ምላሽ ትህባ። በቲ ናይ ሓፍታ ምኸሪ ተስማሚዓ፡ ንሓፍታ ከይነገረት ስልጠና ኣትያ። ኣብ መጀመርታ መዓልታት እቲ ስልጠና፡ ድምጺ ጥይት ስለዘፍራሓ፡ ዓይና ዓሚታ ከምዝተኮሰት ትዛረብ። ክትፈርሕ ዝገበራ ድማ፡ ኣብቲ ናይ 1990ታት ኲናት ሕድሕድ፡ ስም ኣቦኣ ኣብ መዝገብ ሓደ ቐታሊ ጉጅለ ስለዝነበረ ካብኡ ዝተልዓለ እዩ። \"ምናልባሽ'ውን ሓደ መዓልቲ፡ እዚ ንቤተሰበይ ምጽናት ምኽንያት ከይኸውን ኩሉ ጊዜ ይሰግእ እየ ነይረ\" ኢላ። ሕዚ ክልቲኤን ኣሓት ናይ ክልተ ባዕዳዊ ገዛኢትን ተገዛኢትን ርክብ ዘለዎን ሃገራት፡ ወተሃደራት ኮይነን እናገልገላ ይርከባ። ኣይግበሮ ደኣ'ምበር፡ ክልቲአን ሃገራት ናብ ኲናት እንተዝኣትዋ፤ መን ኣብ ልዕሊ መን ቃታ ክስሕብ ማለት እዩ?","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49814069"} {"headline":"ኣመሪካ ኣብ ጠፈር ዝነጥፍ ሓይሊ ምክልኻል ኣቚማ","content":"ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ህዋ ኣብ ዝግበር ኩናት ኣድሂቡ ዝሰርሕ ሓይሊ ምክልኻል ኣቚሙ - ስሙ ድማ ሓይሊ ምክልኻል ጠፈር ኣመሪካ (ዩኤስ ስፔስ ፎርስ) ይበሃል። ትራምፕ ነዚ ውጥን ናተይ ኢሉ ሒዝዎ ዝጸንሐ ክኸውን ከሎ፡ ሕጂ ድማ ንንጥፈታቱ ዘድሊ ገንዘብ ሰሊዕሉ'ሎ። እዚ ሓድሽ ወተሃደራዊ ንጥፈት፡ ኣብ ትሕቲ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ እዩ ክመሓደር። ፕረዚደንት ትራምፕ ንምቚዋም እዚ ሓድሽ ሓይሊ ብወግዒ ክገልጽ እንከሎ፡ ጠፈር \"ናይ ዓለምና እቲ ዝሓደሸ ዓውደ ኩናት እዩ\" ክብል ገሊጽዎ። \"ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ውሕስነትና ብዙሓት ሓደጋታት ኣብ ዘለውሉ እዋን፡ ኣመሪካ ኣብ ህዋ ጸብለልታ ክህልዋ ኣድላዪ እዩ\" ኢሉ። \"ጸብለልታ ኣለና እዩ፡ ግን ከኣ ክንድ'ቲ ዝድለ ጸብለል ኣይበልናን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ግን ብብዙሕ ክንመርሕ ኢና\" ድማ ኢሉ። ሓይሊ ምክልኻል ጠፈር ኣመሪካ፡ ናይ ፈለማ ዓመት ንጥፈታቱ ከካይድ 40 ሚልዮን ዶላር ተሰሊዕሉ ኣሎ። ትራምፕ፡ ብዓርቢ 738 ቢልዮን ዶላር ዓመታዊ በጀት ሓይሊ ምክልኻል ኣመሪካ ክፍርም እንከሎ፡ እቲ ሓድሽ ክፍሊ እውን ብወግዒ ከምዝቖመ ክፍለጥ ተኻኢሉ። እቲ ውጥን፡ ኣብ ጠፈር (ዙርያ ምድሪ) ወተሃደራት ንምስፋር ኣይኮነን። ሓላፍነት ናይዚ ሓይሊ፡ ኣብ ጠፈር ዘለዉ ናይ ኣመሪካ ናውቲ ምሕላው እዩ። ኣመሪካ፡ ንመራኸብታትን ንስለላን እትጥቀመሎም ኣማኢት ሳተላይታት ኣብ ዙርያ ምድሪ ኣለውዋ። ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ኣመሪካ፡ ቻይናን ሩስያን ኣብ ጠፈር ሓያሎ ምዕባለታት የርእያ ከምዘለዋ ይግንዘቡ እዮም። ጠፈር ድማ ከም ሓደ ሓድሽ ወተሃደራዊ ዓውዲ እዮ ዝረኣይ ዘሎ። ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ማይክ ፔንስ \"ቅድም ክብል ሰላማዊን ንሕንሕ ዘይብሉን ዝነበረ [ጠፈር] ሕጂ ግን ዝተጻበብን ምቅንቓን ዝተመልኦን ኮይኑ'ሎ\" ኢሉ ነይሩ። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ድማ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣብ ጠፈር ናይ ኣመሪካ ምስፍሕፋሕ ንድልየታት ሩስያ ሓደጋ ይኸውን ከምዘሎ ጠቒሱ ነይሩ። ሓይሊ ምክልኻል ጠፈር ኣመሪካ፡ 16,000 ሰራሕተኛታት ክህልውዎ እዮም።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50876679"} {"headline":"ብኣመሪካ ዝተቐትለ ላዕለዋይ ወታሃደራዊ ኣዛዚ ኢራን ጀነራል ቃሲም ሶሌማኒ መን'ዩ?","content":"ጀነራል ቃሲም ሶሌማኒ፡ ካብቶም ዝሓየሉ ላዕለዎት ኣዛዝቲ ሰራዊት ኢራን ኮይኑ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ምስጢራዊ ስሪሒታት ዘወሃህድ ዝነበረ'ዩ። ጀነራል ሶሌማኒ ብዓርቢ ወጋሕታ'ዩ ኣብ ዒራቕ፡ ርእሰከተማ ባቕዳድ ብመጥቃዕቲ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ተቐቲሉ። እዚ ወዲ 67 ዓመት ጀነራል፡ ኣብ ሃገሩ ዝለዓለ ተቐባልነትን ተፈላጥነትን ዝነበሮ ኮይኑ፡ ኣዛዚ ፍሉይ ኣሃዱ ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ኮይኑ የገልግል ነይሩ። ኣመሪካ፡ ነዚ ጀነራል ኣብ ሽውዓተ ክፍለ-ዓለማት፡ ኣብ 5 ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣካይዱ ክትብል ትኸሰስ። ኢራን ከም ግበረመልሲ ናይቲ \"ግብረሽበራዊ\" ዝበለቶ ቅትለት ጀነራላ፡ ኣብ ልዕሊ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ሕነ ከምእትፈዲ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ካመነይ ኣጠንቂቑ'ሎ። እቲ ሰያብ ጨጉሪ ርእሲ ዝውንን ጀነራል ቃሲም ሶሌማኒ፡ ፍሉይ ተውህቦ ወተሃደራዊ መሪሕነት ዘለዎ፤ ብብዙሓት ወገናት ኣዝዩ ዝኽበር ብኻልኦት ድማ ኣዝዩ ዝጽላእ ምዃኑ ይግለጽ። ንሱ፡ ንብዙሓት ዓመታት ኣብ ጸልማት ኮይኑ እዩ ዝሰርሕ ነይሩ። ኣብ ቀረባ እዋን ግን፡ ካብቲ ዝነበረሉ ጸልማት ብምውጻእ ኣብ መንግስቲ ኢራን ዓብዪ ቦታ ዝወሃቦን፡ ከም ሃገራዊ ጅግና ዝረኣይን ወሳኒ ሰብ ኮይኑ ክቐርብ ጸኒሑ። ሶሌማኒ፡ ካብ ድኻ ስድራቤት ዝተወልደ ኮይኑ፡ ብዙሕ ኣካደምያዊ ትምህርቲ ከምዘይብሉ እዩ ዝግለጽ። እንተኾነ ግን፡ ምስ ግዜ ከም ኣዛዚ ሰራዊት ሓለዋ ሰውራ ኢራን ክኸውን በቒዑ። እቶም ንሱ ዝመርሖም ፍሉያት ሓይልታት ኩዱስ ድማ ብቐጥታ ብኣያቶላህ ዓሊ ካማኒ እዮም ዝእዘዙ። ንሱ፡ ኣብቲ ሓደ ካብቶም ኣብ መበል 20 ክፍለ-ዘመን፡ ዓለምና ዝረኣየቶም ዝነዉሑን ከቢድ ዕንወት ዘኸተሉን ደማውያን ውግኣት ምዃኑ ዝንገረሉ፤ ኣብ 1980 ፈሊሙ ኣብ 1988 ዝተዛዘመ ኲናት ኢራንን ዒራቕን፡ ስሙ ከጸውዕ ክኢሉ'ዩ። ኣብ 1998 ኣዛዚ ፍሉይ ኣሃዱ ሓይልታት ሓለዋ ሰውራ ኢራን ምስ ኮነ፡ ምስጢራዊ ወተሃደራዊ ስሪሒታት ብምክያድ ጽልዋ ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከምዝዓቢ ገይሩ እዩ። ንሱ፡ ነቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ምዕላምን፡ ገንዘብን ኣጽዋርን ብምዕዳል፡ ጽልዋ ኢራን ከምዝዓቢ ገይሩ። ሶሌማኒ፡ ኣብ ሓላፍነት ኣብ ዝነበረሉ፡ ነቶም ኣብ ዒራቕ ዘለው ሽዓን ኩርድን ኣብ ምሕጋዝ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ዕጡቓት ሓይልታት ሒዝቦላህን፡ ንፍልስጤማዊ ጉጅለ ሓማስን ኣብ ምሕጋዝ ተዋፊሩ ነይሩ። ኣብ 2003፡ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝምራሕ ኪዳን፡ ንሳዳም ሑሴን ምስ ኣለዮ፡ ንሱ ዝመርሖም ሓይልታት ወደሃደራዊ መዓስከራት ኣመረካ ብምጥቃዕ ሓያሎ ወተሃደራት ኣመረካ ቀቲሎም እዮም። እቶም ንሱ ዝመርሖም ሓይልታት ምስ ሓይልታት መንግስቲ ሶርያ ተሰሊፎም ከም ኣማኸርቲ፣ ሃንደስቲን ተዋጋእትን ኮይኖም ንፕረዚደንት ባሻር ኣልኣሳድ ኣብ ስልጣኑ ከምዝጸንሕ ኣብ ምግባር'ውን ዓቢ ተራ ተጻዊቶም። ሶሌማኒ፡ ኣንጻር ዳዕሽ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ውግእ'ውን ኣገዳሲ ተራ ከምዝተጻወተ ጸብጻባት ይገልጹ። ኢራን፡ ኣብቲ ኣንጻር ጂሃዳዊ ጉጅለ ዳዕሽ ዝግበር መጥቃዕትታት፡ ኣንጻሮም ንዝኾኑ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ ምድጋፍን ምስልጣንን ከምዝተሳተፈት ይንገር። እንተኾነ ግን፡ ብዙሓት ዒራቓውያን ምትእትታው ኢራን ብምቁዋም፡ ኣንጻር መንግስቲ ኢራን ብዙሕ ተቓውሞታት ኣስሚዖም እዮም። ዝርጋሐ ሶሌማኒ ግን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ጥራሕ ተሓጺሩ ዝተረፈ ኣይነበረን። ኣብ 2011፡ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ንኣምባሳደር ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኣመሪካ ክቕንጽልዎ መደብ ከምዝነበሮም ይኽሰሱ እዮም። ቅድሚ ክልተ ዓመት'ውን ሓደ ኣባል ሓይልታት ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣብ ጀርመን ዝርከብ ማሕበር እስራኤላውያን ክስሊ ተረኺቡ ከምዝተኣስረ ይግለጽ። ብሰንኪ'ዚን ካልእ ተጻባኢ ምንቅስቓሳትን ድማ፡ ኣመሪካ፡ ኣብ ሚያዝያ 2019 ንሓይልታት ሓለዋ ሰውራ ኢራን ኣብ መዝገብ ግበረሽበራ ኣእቲያቶም።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50985003"} {"headline":"ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ፡ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ 'ሓበራዊ ልምምድ' የካይዳ ኣለዋ","content":"ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ናይ ሓባር \"ልምምድ\" የካይዳ ከም ዘለዋ መንግስቲ ኤርትራ ኣፍሊጡ። ሚኒስትሪ ዜና ትማሊ 24 መስከረም ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ \"ንዘላቒ እሙን-ርግኣት ናይዚ ኣህጉራዊ ማያዊ-መገዲ'ዚ፡ ናይ ኣበርክቶ ሃገራት'ዚ ገማግም፡ ወሳንን መተካእታ ዘይርከበሉን እዩ\" ኢሉ። \"ኣብ ነንበይኖም እዋናት ክፍተኑ ዝጸንሑ ምውስዋሳት፡ እንተላይ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ብሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ዝካየድ ዘሎ ሓበራዊ ልምምድ ከኣ ናብዚ ሸቶ'ዚ ዝዓለሙ እዮም\" ይብል እቲ መግለጺ። ኣብቲ ልምምድ 7 ሃገራት ይሳተፋ ከምዘለዋ ማዕከናት ዜና እቲ ዞባ ገሊጸን። እተን ሃገራት፡ ሱዕዲ ዓረብ፡ ዮርዳኖስ፡ ግብጺ፡ ሱዳን፡ ጂቡቲ፡ የመንን ሶማልያን ምዃነን'ውን ንኣገልግሎት ዜና ሱዕዲ ብምጥቃስ፡ ኣናንዶሉ ዝተባህለ ኣገልግሎት ዜና ቱርኪ ጸብጺቡ። እቲ \"ቀይሕ ማዕበል\" ተባሂሉ ተሰምዩ ዘሎ ወታሃደራዊ ልምምድ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ ልዕሊ ትካላት ነዳዲ ሱዕዲ ዝተፈጸመ መጥቃዕትታት'ዩ ዝካየድ ዘሎ። ኣመሪካን ሱዕዲን ኢራን'ያ ፈጺማቶ ክብል'ኳ እንተኸሰሳ፡ ኢራን ግን ነቲ ክሲ ነጺጋቶ'ላ። ኤርትራ ስለምንታይ ኣብቲ ልምምድ ከምዘይተሳተፈት፡ ጋዜጣዊ መግለጺ ሚኒስትሪ ዜና ዝሃቦ ሓበሬታ የለን። ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ፡ ኣብ ኣኼባ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝተሳተፈትሉ እዋን፡ 12 ነጥብታት ዝሓዘ \"ሕመረት መትከላት ኤርትራ ኣብ ኣተሓሕዛ 'ሰላምን ርግኣትን' ቀይሕ ባሕሪ\" ከም ዘቐረበት'ውን እቲ መግለጺ ጠቒሱ። እቶም ኣብቲ ዞባ ዝራኣዩ \"ስግኣታት\" ክንጸሩን፡ ናይ ሓባር ስትራተጂ ክንደፍን'ውን እቲ መግለጺ ጸዊዑ። \"ኩሉ ዝግበር ኣወዳድባን መዋቕራትን ልኡላውነትን ኣህጉራዊ ሕጊን ከምዝምእዘዝ ምርግጋጽ\" ድሕሪ ምባሉ ነቶም ስግኣታት ኣብ ምግምጋም፡ ስትራተጂ ኣብ ምውጻእ፡ ናይ ሓባር ዓቕምታት ብምውህሃድ ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ መገድታት ኣብ ምንዳይን፡ ምስ ናይ ደገ መሻርኽቲ፡ ብኸመይ ክስራሕ ከም ዝኽእልን ዝጽንዑ ትካላት ክጣየሱ ጸዊዑ። እቲ ዝግበር ዘሎ ልምምዳት፡ ኣበየናይ ክፋል ቀይሕ ባሕሪ ምዃኑ ብንጹር ኣይተፈልጠን ዘሎ። ኢትዮጵያ፡ ሓይሊ ባሕሪ ከተቕዉም ድሕሪ ምውሳና፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ስክፍታታቶም ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ። ኤርትራ ካብ 'ጎበጣ' ኢትዮጵያ ሓራ ንምውጻእ ን30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ኣካይዳ ኣብ 1991 ናጽነታ ምስ ረኸበትን ኣብ 1993 ልኡላውነታ ምስ ኣወጀትን፡ ክልቲአን ሃገራት እንደገና ናብ ኲናት ምምላሰን ይዝከር። በቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዝተኻየደ ሂወት ልዕሊ 100 ሽሕ መንእሰያት ዝቐዘፈ ዶባዊ ኲናት ዝተፈጥረ ጎንጺ ድማ፡ ክልቲአን ሃገራት ንኣስታት 20 ዓመታት ርክብ ኣቋሪጸን ጸኒሐን። ሎሚ፡ እተን ኣብ ውግእ የመን ኢደን ዘእተዋ ሱዕዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፡ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ምቅርራብ ኣበርክቶ ከም ዝነበረን ይግለጽ። መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ሱዕዲን ኢማራትን ዝለዓለ ሽልማት ኒሻን ከም ዝተቐበሉ'ውን ይዝከር። ነቲ ኣብ መንጎአን ዝነበረ፡ ኩነተ-ኣይ ሰላም ኣይ-ኲናት፡ ዘብቅዐ ኣብ ሓምለ 2018 ኣስመራ ዝፈረምኦ \"ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን\" ብ16 መስከረም ብ\"ስምምዕ ጅዳ\" ምሕዳሰን ንባዕሉ መርኣያ ሱዕዲ ዝነበራ ተራ'ዩ ክበሃል ጸኒሑ'ዩ። ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብወገና፡ ነቲ ኣብ የመን እተካይዶ ዘላ ወታሃደራዊ ምትእትታው ንምድጋፍ ኣብ ኤርትራ ወታሃደራዊ ማዓስከር ክትከፍት ዝኸኣለት ሃገር'ያ። እቲ ኣብ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ዝርከብ፡ ማዓስከር ንመራኽብ ኵናትን ሓይሊ ኣየርን ዘጠቓለለ ምዃኑ ጸብጻባት የረድኡ። ኤርትራ ኣቕድም ኣቢላ፡ ነቲ ብሱዕዲ ዝምራሕ ኣንጻር የመናውያን ጉጅለ ሑቲ ዝቖመ ወታሃደራዊ ልፍንቲ፡ ብምሉእ ልባ ካብ እትድግፎ ጸኒሓ'ላ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49829275"} {"headline":"ምኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ክምለስ'ዩ ይብል","content":"እቲ ተበጊሱ ዘሎ መስርሕ ሰላም ሽቶኡ ክሃርም ምስ ዚጅምር \"ናይ ፓሊሲ ለውጢ ክህሉ ናይ ግድን'ዩ\" ክብል ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ንቢቢሲ ሓቢሩ። ይኹን እምበር ንዝበዝሐ ሕቶታት ብስሑው መልሲ ስለዝሰገሮም ደጊምካ ምርኣዮምን፡ ርእይቶ ምሁራት ምስማዕ ኣገዳሲ ኮይኑ'ሎ። ኣብ ብዙሓት ኵርንዓት ክትዓት ሃገራዊ ኣገልግሎት ሕመረት ናይ'ቶም ዝለዓሉ ዘሎዉ ዛዕባታት ኰይኖም ይርከቡ። ኤርትራ ካብቲ ሓዲግ ኵነታታ፡ ኣብ እንዳኣ ተንጠልጢሉ ዘሎ ኩነተ ኩናት ሓራ ምስ እትወጽእ፡ ካብቲ ከንጸላልዋ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ማሕበራዊ ጸገማት ብሓቂ ክትናገፍ'ያ ማለት ድዩ? እቶም ብሰበብ እቲ ዘይተሓንጸጸ ዶብ ዝተኣታተዉ ምስምሳት ዘላቒ ፍታሕ ክረኽቡ ማለት ድዩ? ወይስ ካልእ ዘይተፈልጡ ነገራት ክቀላቐሉ እዮም? ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ናይ ሓቂ ምስሊ ድዩ ዚስእል ዘሎ ወይስ ንህዝባዊ ርክባት እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ? ብሓጺሩ፡ እቲ ዝንበብ ዘሎ ስእሊ ከምዚ ይመስል - ዶብ ይሕንጸጽ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ይዓስል፣ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዓቐን ይህልዎ፣ ኤርትራ ኸኣ ናብ ንቡር ትምለስ። እቲ ንባብ ልክዕ ድዩ ወይስ እቲ ዝንበብ ሓፈሻዊ ስእሊ ስለዝኾነ ካልእ ንባብ እውን ኣሎ? እስከ ንየማነ ገብረመቀል ሰጊርና ንኻልእ ሰብ ንወከስ ነዞም ዝተላዕሉ ዛዕባታት መጽናዕታዊ መልሲ ንክህበሎም ንፕሮፈሶር ጋይም ክብረኣብ ኣዛራሪብናዮ። ፕሮፈሶር ጋይም ብጕዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት እቲ ዝዓሞቘን ዝነውሐን መጽናዕቲ ዘካየድ ምሁር'ዩ። ስንብራት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ማሕበረ-ሰባዊ መዋቕር ኤርትራ ከመይ ይመስል ንዚብል ሕቶ ብብዙሕ መኣዝነ - መጽናዕተ መሊሱዎ'ዩ። እታ ናይ መጠረሸታ መጽሓፉ ድማ ብዛዕባ ሃገራዊ ኣገልግሎት'ያ - \"ጊልያነት ንናይ ሓባር ጥቕምን ጻኦት መናእሰይን\" ኢሉ ሰምዪዋ። እታ መጽሓፍ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኤርትራ ከመይ ኢሉ ከም ዝፈለመ፡ 'ፍልስፍናዊ መሰረቱ' ከመይ ይመስል፡ ብኸመይ ኣብ ኤርትራ ኣብ ግብሪ ወዓለ፡ ብኸመይከ ናብ ገደብ ዘይብሉ ግዜ ተናውሐ ... ከምኡ'ውን ካልኦት ዛዕባታት ትሽፍን'ያ። ቢቢሲ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንነዊሕ እዋን ንመንግስቲ ኤርትራ ሕሱር ጕልበት፡ እቶት ዝርከቦ ጊልያነት ኰይኑ'ዩ ጸኒሑ ዚብሉ ምርምራትን፡ ዓበይቲ ኣህጕራውያን ማሕበራት ዘውጽእዎም ጸብጻባትን ኣሎዉ። በቲ ካልእ ሸነኹ ክርአ ኸሎ ድማ ኵርዅሮ-ኣኪለስ መንግስቲ (Achilles heel) (ሰራም ድኽመት) ዀይኑ ጸኒሑ፣ ብኣማኢት ኣሽሓት መናእሰይ ንሃገራዊ ኣገልግሎት ራሕሪሖም ኣብ ቀረባን ስግር ባሕሪ ዚርከባ ሃገራት ዕቝባ ንክሓቱ ደፋፉእዎም። ኣብዚ መድርኽዚ ስእሊ ምርጫ ኤርትራ ከመይ ይመስል? ፕሮ. ጋይም፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ካብ ሓደ ትካላዊ ሃጓፍ ወጻኢ ንከተስርሖ እንተ ዝፍተን ነይሩ እዛ ብእዋን ብረታዊ ቃልሲ ንሰላሳ ዓመታት ዝተደኰነት ሃገር ካብ ሓሙዅሽቲ ቦሎኽ ኢላ ከም እትወጽእ ምገበራ። እቲ ኣገልግሎት ከኣ ሓድሽ ነግሒ ምቐደደ ነይሩ ይብል። ንመስርዕ ዝውድን ትካላት ኣብ ዘይብሉ ሃገር እቲ ዝበለጸ ዉጥን'ውን ይጸድፍ'ዩ። ሓደ ካብ'ቶም ጌጋታት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብሕጊ ተተኻኺሉ ስለዘይሰርሕ'ዩ፣ እቶም ናይ ገዛእ ርእሶም ረብሓ ዚሕልዉ ወተሃደራዊ ኮማንደራት ዊን ከም ዘበሎም'ዮም ዚኸውን። ዘይተኣደነ ስልጣን ስለ ዝተዋህቦም ድማ ብጭካኔ ብዝገለጽ ምሕደራ'ዩ ዚሰርሕ። ንዓመታዊ ዕረፍቲ ክቱባት እንተዀን'ውን ብብቕዓት ኣየማሓድርዎን። ንገበናት ብኸመይ ዘኣመሰለ መቕጻዕቲ ንምግጣሙ'ውን ቅጥዕታት የብሎምን። ንወሲባዊ ግፍዕታት ብዕቱብ ዚቈጻጸርን ንዕኡ ዚኸውን መሐለውታ'ውን የለን። ኣብ ጥቕሚ መራሕቶም ዚውዕል ምዝመዛ ክቱባት ሃገራዊ ኣገልግሎት'ውን የለን ... ከምኡ እናበለ ይቕጽል። ሃገራዊ ኣገልግሎት ብስርዓተ ሓይሊ'ምብር ብስርዓተ ሕጊ'ዶ ይግዛእ'ዩ? ብገለ ቅር ዝበሎም ደገፍ ሕጊ ዘድልዮም ዕስኩራት እንታይ ይግበሩ? ንዝወጽዖም መራሒ ብምንታይ ኣቢሎም ከባጽሕሉ? ምስጨነቖም ኣገልግሎት ንድሕሪት ገዲፎም ከምዝሃድሙ እዮም ዝሕብሩ እቶም ብበረኻን ባሕርን እግሮም ናብ ዝመርሖም ዝነፍጹ መንእሰያት። መልሰይ ከሕጽሮ ... ድኽመት መንግስቲ ኣብ ወጽዓ ኣባላት ሃገራዊ ኣገግሎት'ዩ ዝርአ ... እወ፡ ከም ዝበልካዮ \"ኵርዅሮ-ኣኪለስ መንግስቲ!\" ሃገራዊ ኣገልግሎት ንኤርትራ ሃጓፍ ሕብረተሰብ'ዩ ፈጢሩላ፣ ነቶም መናእሰይ መምለጢ ጐደና ሰሪሑሎም። እዚ ላዕሊ-ላዕሉ'ዩ። ስለዚ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ዝብሎ ዘሎ - ናይ ፖሊሲ ለውጥታት ክተኣታተዉ'ዮም ክብል ከሎ - ነዚኦም'ዶ ይኸውን? ቢቢሲ፡ ኤርትራ ነዞም ዝእመቱ ዘሎ ለውጥታት ንኸተአንግድን ንኸተስርሕን ዓቕሚ ዘሎዋዶ ይመስለካ? ፕሮ. ጋይም፡ እዚ ዘሎ ህልዊ ኵነታት - ማሕበራዊ-ቍጠባዊ ቅርጺ - ብፍጹም ሕጽረታት ስለ ዝተሃንጸን ዝተኸበን ወሓዚ ለውጢ ክዓቝር ኣይክእልን'ዩ። ብሓጺሩ፡ ኤርትራ ንዝፋነዉ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ክትናብን ኣብ ስርሓት ክትሰኵዕን ዓቕሚ የብላን። ንዜጋታት ኣብ ንቡር ንምምላስ ነዊሕ መስርሕ ዘሎዎ ዕማም'ዩ። ብዙሕ ወፍሪ ዀነ ሰብኣዊ ርእሰ-ማል ዚሓትት ዕማም'ዩ - ሓድሽ ምትእትታው ሜላ ትምህርቲ የድሊ። መንግስቲ ዀነ ኢሉ ንዝነበሩ ትካላት ትምህርቲ ባሕጕጉ ስለ ዘዳኸሞም መሊስካ ንምህናጾም ጊዜ ዚወስድ ስራሕ'ዩ። ናይ ምምሃር ኰኑ ካልኦት ስራሓት ንኸካይዱ ትምህሪ ዝቐሰሙ ነቲ ሃገር ገገዲፎሞ ከይዶም። ሃገራዊ ኣገልግሎት ከኣ ብግዲኡ ኣሉታዊ ተራ ተጻዊቱ'ዩ። ጸገማት ኤርትራ ኣዝዮም ግዙፋት ስለ ዝዀኑ፡ መሰረታዊ፡ ንዝተፋነዉ መናእሰይ ዚሓቝፍ ስርዓት ንምድላው ናይ ኣህጕራውያንን ዞባውን ሓገዝ የድሊ። ነቲ ሳልሳይ ኣካል - በርጌሳዊ ማሕበራት - ቦታ ዘይህሉ ስርዓት ንዝተፋነዉ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብኸመይ ክተሓሓዞ? ማዕከንን መትንታት ሕጊ ዘይብሉ ስርዓት ከመይ ኢሉ ንዜጋታት ክናቢ? ንዅሉ ክሓቍፍ ዚኽእል መንግስቲ እንተዘይተተኺሉ ኵሉ ዚሕሰብ ዘሎ ንኸንቱ ክኸውን'ዩ። እዚ ቍንጣሮ ናይ'ትክቕረብ ዝግብኦ ትንተና'ዩ። ብሓጺሩ መሰረታዊ ዉሽጣዊ ምትዕርራይ ዘይትገብር ሃገር ወፍሪ ክስሕብ ኣይከእልን'ዩ። ደጊመ ክብሎ ዝደሊ ኣቶ የማነ \"ግጭት እንተድኣ ተወጊዱ ሓያሎ ናይ ፓሊሲ ለውጥታት ክመጽእ'ዩ ኢለ እሓስብ\" ኢሉ ብድብድቡ ክገልጽ ብዙሕ ሰብ ክርድኦ ኣይክእልን። ቢቢሲ፡ እስከ ደጊምና ተመሊስና ንርኣዮ ... ምልዋጥ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ነቲ ሃገር ብኸመይ ይጸልዎ? ፕሮ. ጋይም፡ ከምዘሎዎ እንተ ወሲድናዮ፡ ሃጋራዊ ኣገልግሎት ንሕብረተሰብ ኤርትራ ፍንጥሕጥሕ ኣቢሉዎ'ዩ። እቲ ሃገር ንዘበናት ዘኻዕበተቶ መነባብሮ - ምናዳ ኣብ ኣካይዳ ኣሃዱታት ስድራ ቤታት - ዳርጋ የለን። እቲ ብስድራቤታት ዝሕረስ ዝነበረ ግራታውቲ ተሃስዩ'ዩ - ኣብ ማሕረስ ዝተሓባበሮም ዉላዶም መንጢልካ እንተ ወሰድካሎም እቲ ስድራ እንታይ ይኸውን? ንህላዌኦም ተፈታቲኑዎ'ዩ። ከምዚ የማነ ገብረመስቀል ዝብሎ ዘሎ፡ እንድሕሪ ብሓቂ ሃገራዊ ኣገልግሎ ኣብ ንቡር ተመሊሱ - ናይ 18 ወርሒ ገደብ ዘሎዎ - ቀስ ኢሉ እቲ ሃገር ሰለይእናበለ ብድድ ክብል ይኽእል'ዩ። ምናዳ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብሕጊ እንተ ድኣ ተመሓዲሩ እቲ ኣዎንታዊ ንኣሉታዊ ሸነኻቱ ክቕድሞ ይኽእል'ዩ ኢለ እኣምን። ቢቢሲ፡ እሞ ኣስገዳጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት እንተ ተኣልዩ ኤርትራውያን ዕቝበኛታት ኣይክህልዉን ማለት ድዩ? ሙዚቃ ነእዛን ሕብረት ኤውሮጳ? ፕሮ. ጋይም፡ ናይ ግድን ኣይኰነን። እተን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ዘፍርያ ዘለዋ ሃገራት ኵነታተን ከም ናይ ኤርትራ ኣይኰነን - ብሃገራዊ ኣገልግሎት ኣይቅሰብን። ዑቝበኛታት ብዝተኣሳሰሩን ብኣዝዮም ዝተሓላለኹ ተዋህዶ ደረኽቲ ነገራት'ዮም ዝፍጠሩ። ብግቡእ ዚመሓደርን ብሕጊ ዚቕየድን ሃገራዊ ኣገልግሎት ዑቝበኛ ኣብ ምፍጣር ተራ ኣሎዎ ኪበሃል ኣይክኣልን። መንግስቲ ነዚ ኣብ ኤርትራ ዝተፈጥረ ሽግር ከህድኦ ምኸኣለ፣ የማነ ገብረመስቀል ኣይፈልጦን'ዩ ክብል ኣይከኣልን። ሕጂ ግን እንሆ \"ግጭት እንተድኣ ዘይሃልዩ እቲ ቀንዲ መትከላት ናይቲ [ኣብ 1994 ዝተኣወጀ] ሕጊ ክትግበር'ዩ\" ክብል ንሰምዖ። ኢዶእ! ሓቢርና ንርእዮ። ቢቢሲ፡ ንኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ምፍዳስ ምስቲ ብድሕሪ ናጽነት ዝተኸሰተ ኵነታት ተጋደልቲዶ ክነመዛዝኖ ንኽእል ይመስለካ? ሽዑ'ውን እንተዀነ 'ገገዛኹም ኪዱ' ነይሩ። ፕሮ. ጋይም፡ እቲ መካኒዝም (ወይ ከኣ ስርዒተ-ኣካል) ይመሳሰል'ዩ። እቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ገደብ ከም ዘይብሉ ምስ ተራእየ ከቢድ ዝመስርሑ፡ ባህርያቱ ኸኣ ንክቱባት ኣብ ትሕቲ ባርነት ከም ዝቛርን ብግሁድ ተራእዩ'ዩ። ሕልሚ ናይ'ቶም ብሓይሊ ዝተኸትቡ መናእሰይ ካብቲ ኣገልግሎት ከመይ ገይሮም ከም ዘምልጡ'ምበር ሃገርን ቍጠባ-ሃገርን ናይ ምህናጽ ድልየት ከም ዘይነበሮም ተመስኪሩ። እቶም ድሕሪ ናጽነት ዝተፋነዉ ተጋደልቲ ኵነታቶም ከምኡ ኣይነበረን። ዝዀነ ዀይኑ፡ ከምቲ ዝበሃል ዘሎ፡ ንሃገራዊ ኣገልግሎት ገደብ ተገይሩሉ (ን 18 ኣዋርሕ ንኸገልግሉ)፡ምስኡ ኸኣ፡ ከምቲ ድሮ ዝበልኩዎ፡ ብሕጊ እንተ ድኣ ተቐዪዱን ብጥዕና ዘሎዎ ምሕደራ እንተ ተኻዪዱ እቶም ኣባላት ኣገልግሎት ነቲ መደብ፡ ልክዕ ከም ተጋደልቲ፡ ብንጹህ ልቢ ተቐቢሎም ብግቡእ ክሳተፍዎ ይኽእሉ - ንህንጸት ሃገር። ቢቢሲ፡ ሕጂ'ውን ሕቶ ክንደግም ... በርገሳዊ ጽላት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ክቱር ቍጽጽር መንግስቲ'ዩ። ኰይኑ ድማ ናይ ብሕቲ፡ ስራሕ ዘስተናግዱ ትካላት የለውን። እንድሕሪ ኣባላት ኣገልግሎት ተፋንዮም እንታይ ከጓንፎም'ዩ? ፕሮ. ጋይም፡ ኣቐዲመ ከምዝበልኩዎ መጽናዕትን ጽዑቕ ውጥንን ዘድልዮ ጕዳይ'ዩ ... ብፖለቲካውን ቍጠባውን ማሕበራውን ለውጥታት ክስነ ከም ዘሎዎ። ንሓውሲ ወትሃደራት መናእሰይ ፈኒኻ ምግዳፍ ሳዕቤኑ ናብ ኣጻድፍ ክውርውሮ ይኽእል'ዩ። ኣብዚ ኣህጕራውያን ተዋሳእቲ ምሕዋስ የድሊ። ከምኡ'ውን በርገሳውያን ማሕበራት። ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ዝበሎ ሰሚዕናዮ ኣሎና። ብቑዕ መልሲ ክህብ ይግብኦ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-44977444"} {"headline":"ታይላንድ፡ እቲ ቐታሊ ተቐቲሉ","content":"ኣብ ከተማ ናኮን ራቺስማ ዕስራን ሽድሽተን ሰባት ዝቐተለ ታይላንዳዊ ወተሃደር፡ ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተቐትለ ፖሊስ እታ ሃገር ገሊጹ። እቲ ጃክራፋንዝ ቶማ ዝተባህለ ወተሃደር ንሓላፊኡ ብምቕታል እዩ፡ ካብቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣጽዋር ወሲዱ። ኣብ ዓብዩ ማእከል ዕዳጋ ኣልማማ ተኹሲ ብምኽፋት 26 ሰባት ቀቲሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዘርጊሑዎ። ስለምንታይ ከምኡ ከምዝገበረ ግን ዝፍለጥ ነገር የለን። ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል ታይ ኮንቺፕ ታንትራዋኒት \"ምናልባት ተጸሊሉ ክኸውን ይኽእል እዩ እምበር ስለምንታይ ከምኡ ከምዝገበረ ርዱእ ኣይኮነን\" ክብል ንሮይተርስ ሓቢሩ። ምኒስተር ጥዕና እታ ሃገር፡ እቲ ቐታሊ ብፖሊስ ስለዝተቐትለ፡ ኣብ ፈይስ ቡክ ሓጎሱ ገሊጹ። ንፖሊስ እውን ዮሃና ኢሉዎም። በቲ ፍጻሜ 26 ሰባት ክሞቱ እንከለው 42 ካልኦት ከኣ ከቢድን ፈኲስን መቑሰልቲ ከምዘጋጠሞም ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም። እቲ ወዲ 32 ዓመት ቐታሊ ብድሕሪ እቲ ሰባት ዝቐተለሉ ህንጻ ክሃድም ፈቲኑ ነይሩ እዩ። ግን ኣይሰለጦን። ኣዲኡ ከኣ ኢዱ ክህብ መታን ክተእምኖ ተጸዊዓ ናብቲ ቦታ መጺኣ ምንባራ ፖሊስ ሓቢሮም።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51432180"} {"headline":"ኣብ ዝተፈለለየ ከባቢታት ኤርትራ ጽዑቕ ግፋ ከም ዘሎ ተገሊጹ","content":"ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ጽዑቕ ግፋ ክካየድ ከምዝቐነየን ገና ይቕጽል ከም ዘሎን ምንጭታት ካብ ኤርትራ ገሊጾም። እቲ ግፋ፡ ኣብ ከረን፡ ሓጋዝ ኣቑርደት ከምኡ'ውን ኣብ ካልእ ከባቢታት ኤርትራ ከምዝተኻየደ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም። ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ፡ ነፈሲ ወከፍ ኣባይቲ እናፈተሹን ኣብ ጎደናታት ንዝረኸቡዎም መንእሰያትን ይገፉ ምህላዎም እቲ ምንጭታት ይሕብር። ኣብ ሓጋዝ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰራዊት ምክልኻል ኣብቲ ጎደናታት ደድሕሪ ነብሶም ከድሕኑ ዝፍትኑ ዝነበሩ መንእሰያት እናጎየዩ በባትር ክኹብኩቡዎም ከምዝተራእዩ ንቢቢሲ ተዛሪቦም። ምኽንያት እቲ ግፋ ዋላ እኳ ብንጹር እንተዘይተፈልጠ፡ ብፍላይ ኣብ ከረን ኣብ ኣብ መናድቕ ''ይኣክል'' ዝብል ጽሑፋት ከምዝተለጠፈን፡ እቲ ግፋን ምናልባት ምስኡ ዝተኣሳሰር ከይከውን ዝብል ግምት ከምዘሎ ምንጭታትና ኣረዲኦም። ብኻልእ ወገን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ፡ መንእሰያት ንሳዋ 'ኣይንወርድን' ኢና ይብሉ ከምዘለው፤ ካብዚ ብምብጋስ ከኣ ሓያሎ ምምሕዳራት ንስድራ ቤታታት ኣኪቦም \"ደቅኹም ንሳዋ እንተዘይወሪዶም ብጥረ ገንዘብ ክትቅጽዑ ኢኹም\" ዝብል መጠንቀቕታ ይወሃቦም ከምዘሎ ይግለጽ። ኣብ ዝሓለፉ ሳምንታት መንግስቲ ነተን ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝውነና ማእከላት ጥዕና ምህጋሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኣስመራ \"ይኣክል\" ዝብል ጽሑፍ ኣብ መናድቕ ይጸሓፍን ጽዑቕ ግፋ ይካየድ ብምህላውን ህዝቢ ሻቕሎት ፈጢሩሉ ምህላው እቲ ምንጭታት ይሕብር። ብኻልእ ወገን እውን ብሰንኪ ምዕጻው ዶባት ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ጅቡትን ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት ብምውሳኹ ህዝቢ ይማረር ምህላው ኣረዲኦም።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49068852"} {"headline":"ሱዳን፡'ፈተነ ዕልዋ' ስዒቡ ላዕለዎት ጀነራላት ተኣሲሮም","content":"ኣብ ሱዳን ተኻይዱ ድሕሪ ዝተብሃለ ፍሹል ወተሃደራዊ ዕልዋ፡ ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት ኣዘዝትን ኣባላት ናይቲ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶን ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ሰራዊት ሱዳን ኣፍሊጡ። እቲ ፈተነ ዕልዋ መኣስ ከም ዘጋጠመ ንጹር እኳ እንተዘይኮነ፡ ምናልባት ነቲ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ተኻይዱ ዝተባህለ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግለጽ። ካብ መንጎ እቶም ዝተኣሰሩ፡ ሓለቓ ስታፍ ጀነራል ሓሽም ኣብደል ሞጣሊብ ኣሕመድ፡ ከምኡውን ኣዛዚ መካናይዝድ ብርጌድ፡ ሜጀር ጀነራል ናስር ኣልዲን ከም ዝርከብዎም ተገሊጹ። ብዘይካ'ዚ ምክትል ፕረዚደንት ነበር በኪር ሓሰን ሳልሕን ኣብ እዋን ዑመር ኣልበሽር ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ በዓልስልጣንን ይርከብዎም። እቲ ፈተነ ዕልዋ ነቲ ካብ ስልጣን ዝተኣለየ ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ ናብ ስልጣን ንምምላስ ዝዓለመ ከም ዝነበረ ካብቲ ሰራዊት ዝተውሃበ መግለጺ የመልክት። ሓለቃ ስታፍ ጀነራል መሓመድ ኦትማን ኣልሑሴን፡ እቲ ፈተነ ዕልዋ፡ ነቲ ህዝቢ ሱዳን ዝሓልሞ ዘሎ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምዕንቃፍ ዝዓለመ እዩ ኢሉ። ብኻልእ ሸነኽ፡ ተቓወምቲ ሰልፍታት ሱዳንን ምትሕብባር ተቓወምቲ ጉጅለታትን ኣብ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ብኸመይ ክሳተፉ ከም ዝኽእሉ ዝቕይድ ስምምዕ ከም ዝኸተሙ መራኸቢ ብዙሓን ሱዳን ጸብጺበን። ክልቲኦም ወገናት \"ንምህናጽ ሲቪላውን ደሞክራስያውን ስርዓት\" ሓቢሮም ክሰርሑ ከም ዝተሰማምዑ ባጅ ኒውስ ጸብጺቡ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49108234"} {"headline":"ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዓይኒ መንግስቲ ኤርትራ","content":"ሰራዊት ሓርነት ኣብ ግንቦት 1991 ንስርዓት ደርግ ስዒሩ ንርእሰ ከተምኡ ምስ ተቖጻጸረን ናጽነቱ ምስ ተጎናጸፈን፡ ህዝባዊ ግንባር ንመጀመርታ፡ ሕጊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብምርቃቕ ኣብ ሕዳር 1991 ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣዊጁ። ዕላማን መንፈስን እቲ ብኣዋጅ ዝተገልጸ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ መንእሰያት ኤርትራ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ብሉጻት ደቁ ከፊሉ ብኸቢድ መስዋእቲ ዘረጋገጾ ናጽነት ንምዕቃብን ኣብ 30 ዓመታት ብረታዊ ተጋድሎ ዝዓነወት ሃገር ንምህናጽን ንምልማዕን እጃሞም ንኸበርክቱ እዩ። ስለዝኾነ መንግስቲ ኤርትራ፡ ብመትከል ርእሰ-ምርኮሳ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምርግጋጽ ነቲ ከም ዓቢ ሃብቲ ዝቖጽሮ ዓቕሚ ሰቡ ወዲቡ፡ ኣብ ቁጠባውን ማሕበራውን ህንጸት ኣውፊሩ፡ ሃገሩ ንምልማዕ ብምሕላን እዩ ነቲ መደብ ኣበጊሱዎ። ቀንዲ ዕላማታት ሃገራዊ ኣገልግሎት ከኣ፦ • ንልዑላውነት ሃገር ዝከላኸልን ናጻ ኤርትራ ዝዕቅብን ህዝባዊ ዝሰረቱ ሰራዊት ምህናጽ • ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 30 ዓመታት ብረታዊ ተጋድሎ ንዘርኣዮ ጀግነነትን ጽንዓትን ምዕቃብን ምቕጻልን • ብፍቕሪ ሃገርን ስራሕን ከምኡ እውን ብዲሲፕሊን ዝተሃንጸ መጻኢ ወለዶ ምህናጽን ምሕብሓብን • ንዓቕሚ ሰብና ከም ሃገራዊ ጸጋን ማልን ተጠቒምና ሃገራዊ ቁጠባ ምህናጽን ኣፍራይነት ምዕባይን • ብቑዕ ወተሃደራዊ ስልጠና ብምሃብ ኣካላውን ስነ-አእሙራውን ብቕዓት መንእሰያት ምህናጽን፡ ሞያዊ ዓቕሚ ከምዘጥርዩን ከምዝድልቡን ምግባር • ትሕተ ሃገራውነት ብምውጋድ ኣብ መንእሰያት ሃገራዊ ስምዒትን ፍቕርን ምኹስካስ ዝብል ኮይኑ፡ ካብ 18-40 ዓመት ዝዕድመኡ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክሳተፍ ግዴታ ከምዘለዎ ይነግር። እቲ ኣብ ሕዳር 1991 ዝተኣወጀ ቀዳማይ ኣዋጅ ግን ንሰብ ሓዳር፡ ንሰራሕተኛ፡ ንነጋዳይ፡ ከምኡ እውን ንወሃቢ ስራሕ ናጻ ዝገብር እዩ ነይሩ። ኣብቲ ሕብረተሰብ ናይ ሞራል ለውጢ ንምግባር ተባሂሉ ከኣ፡ ኣብ ባራትን ኣብ ለይታዊ ትልሂታትን ዝሰርሓ ልዕሊ 18 ዝዕድመአን ደቂ ኣንስትዮ ከገልግላ ከም ዝእዝዝ ብዛዕባ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ሰፊሕ መጽናዕቲ ዘካየደን መጽሓፍ ዝጸሓፈን ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ ይገልጽ። ግን እቲ ኣዋጅ ብዙሕ ከይተሰርሓሉ፡ ኣብ ሕዳር 1995፡ ብኣዋጅ 82\/1995 ተተኪኡ። ንብምልኡ እቲ ኣብቲ ቀዳማይ ኣዋጅ ኣይምልከቶን'ዩ ተባሂሉ ዝነበረ ከኣ፡ ካብ 18 ክሳብ 40 ዝዕድሚኡ ዘበለ ብምሉኡ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከገልግል ወሲኑ። እቶም ኣብቲ ዳሕረዋይ ኣዋጅ ዘይምልከቶም፡ ተጋደልትን ኣካላውን አእምሮኣውን ስንካለ ዘለዎም'ሞ ብሕክምና ዝተመስከረሎም ጥራሕ እዮም። ኣባላት ቀዳማይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ብኣዋጅ ሕዳር 1991 እዮም ኣብ ሓምለ 1994 ንሳዋ ወሪዶም። ዳሕራይ ግን እቲ ሕጊ \"ኩሉ ኤርትራዊ፡ ጾትኡን ሃይማኖቱን ብዘየገድስ ን18 ኣዋርሕ ንሃገር ከገልግል ብዝብል ተተኪኡ። እቲ ናይ ዓሰርተ ሸሞንተ ኣዋርሕ ናይ ኣገልግሎት እዋን፡ ኣብ ክልተ ዝተኸፋፈለ ኮይኑ፡ እቲ ቀዳማይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ወተሃደራዊ ታዕሊም፡ እቲ ዝተረፈ ሓደ ዓመት ከኣ ኣብ ማእቶታዊ ንጥፈታት ከም ዝሳተፉ ይገልጽ። ግቡኡ ዝወድአ ኤርትራዊ፡ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተፋንዩ ናብ ንቡር ሂወቱ ምስ ተመልሰ፡ ኩሉ መሰላቱ ክሓትት መሰል ይህልዎ። ይኹን እምበር ኣብ ዝኾነ እዋን ሃገራዊ ሓደጋ ከኣ፡ ብጻውዒት ኣብ መሳርዑ ክርከብ ግዴታ ከምዘለዎ ይገልጽ እቲ ኣዋጅ። ኣብ ነሓሰ 1994፡ ቀዳማይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ድሕሪ ምጅማሩ ከኣ ክሳብ ራብዓይ ዙርያ፡ ነብሲ ወከፍ ግቡኦም ዝፈጸሙ ዙራት ኣገልግሎቶም ወዲኦም ናብ ንቡር ሂወቶም ተመሊሶም'ዮም። ሓምሻይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንክፋነዉ ሰሙናት ምስ ተረፎም ኵናት ኢትዮ-ኤርትራ ስለ ዘጋጠመ ግን ኣይተፋነውን። ካብቲ እዋን'ቲ ንደሓር ዝነበሩ ዙርያታት ከኣ፡ ብምኽንያት ኩናት ዶባትን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ወጥሪ \"ኣይ ኩናት ኣይሰላም\" ክሳብ ሕጂ ኣይተጣየሱን። እቶም ኣቐዲሞም ዝተፋነዉ ኣርባዕተ ዙርያታትን፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ተሳቲፎም ኣብ 1993 ካብ ሰራዊት ብወግዒ ዝተጣየሱን፡ ቅድሚ ምጅማር ኲናት ኢትዮ ኤርትራ ንሓደ ወርሒ ንልምዓታዊ ስርሓት ነናብ ናይ ቀደም ኣሃዱታቶም ተጸዊዖም ምስ ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ስለዝነበሩ፡ ንኲናት ዶባት ኢትዮ-ኤርትራ መምስ ኣሃዱታቶም ኮይኖም ተሳቲፎሞ እዮም። ኵናት ዶባት ብውዕል ኣልጅርስ ምስተገትአ፡ እቶም ኣቐዲሞም ካብ ሰራዊት ተፋንዮም ዝነበሩ'ሞ ካብ መደባት ልምዓት ናብ ኩናት ዝተጸምበሩን ሓምሻይ፡ ሻድሻይ፡ ሻብዓይን ሻምናይ ዙርያታት፡ እቲ ናይ 18 ኣዋርሕ ገደብ ሓሊፎሞ ስለዝነበሩ ካብ ሰራዊት ክፋነዉ ትጽቢት ነይሩዎም። እንተኾነ፡ መንግስቲ 'ብኵናት ዝዓነወት ሃገር ብ'ወፍሪ ዋርሳይ ይክኣሎ' ምሕዋይ ዝብል መደብ ስለዘበገሰን፡ ኩሉ ሰብ ክሳተፎ ስለዝሓተተን፤ እቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ 'ምጥያስ' ብዘይ ወግዓዊ መግለጽን ሓበሬታን ደው ኢሉ ክሳብ ሕጂ ከኣ ይቕጽል ኣሎ። ብዘይካ ኣብ እዋን ኩናት ዶባት 2000፡ ኣብ ጋሕቴላይን ዝተዓለሙ 13 ዙርያን፡ ኣብ ዊዓን ኣብ ኪሎማን ዝተዓለሙ ገለ ዙርያታትን እንተዘይኮይኖም፡ ዝተረፉ ብምሉኦም ኣብ ሳዋ እዮም ተዓሊሞም። ኣዝዮም ውሑዳት ከኣ ቅድሚ 1994 ኣብ ኣሃዱታቶም ዝተዓለሙ ኣለው። ካብ 2003 ጅሚሩ፡ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ መላእ ሃገር፡ ዓሰርተ ሓደ ክፍሊ ድሕሪ ምውድኦም፡ መበል ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ኣብ ቤት ትምህርቲ 'ዋርሳይ ይክኣሎ' ኣብ ሳዋ ከም ዝመሃሩ ተገብረ። ኣብኡ ማትሪክ ተፈቲኖም፡ ውጽኢትኦም ድሕሪ ምፍላጥ ወተሃደራዊ ታዕሊም ይወስዱ። እቶም ትምህርቲ ከቐጽሎም ዝኽእል ነጥቢ ዘምጽኡ ናብ ኮሌጃትን ማእከላት መሰልጠኒ ሞያን ይኣትዉ። እቶም ነጥቢ ዘየምጽኡ ግን ናብ ኣሃዱታት ይምደቡ። ገለ ከኣ ኣብቲ ኣብ 2009 ዝተጀመረ ሃገራዊ ማእከል ሞያዊ ስልጠና ሳዋ፡ ድሒሩ ናብ ማእከል ሞያዊ ስልጠና ስሙ ዝቐየረ ሞያዊ ስልጠናታት ምስ ወሰዱ ብሰርቲፊኬት ተመሪቖም ናብ ኣሃዱታት ይምደቡ። ብዘይካ እዚ ትምህርቲ ከይወድኡ ዘቋረጹ'ሞ ዕድሚኦም ልዕሊ ዓሰርተ ሸሞንተ ዝኾኑ መንእሰያት፡ እቶም ዝፈተዉ ብፍቓዶም፡ እቶም ዝኣበዩ ከኣ ተገፊፎም ናብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ይወርዱ። እቶም ካብ 1961 ክሳብ 1991 ኣብ ዝነበረ ኵናት ኣንጻር መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝተሳተፉን፡ ስንክልና ዘለዎምን፡ ዝተመርዓዋን ዝወለዳን ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ እዮም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይምልከቶም። ዕላማ ሃገራዊ ኣግልግሎት ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ብኩናት ንዝዓነወት ሃገር ንምህናጽን ኣፍራይን ተበላሓትን ፍቕሪ ሃገር ዘለዎ ንቑሕ መንእሰይ ብምህናጽ ህዝቢ ዝሰረቱ ድልዱል ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ምህናጽ ስለዝነበረ፡ ብፍላይ ኣብቲ ፈለማ ዳርጋ ዝበዝሑ መንእሰያት ብገዛእ ፈቓዶም እዮም ናብ ሳዋ ዝወርዱ ነይሮም። ዳሕራይ ኩናት ዶባት ኣጋጢሙ እቲ ወጥሪ ምስ ቐጸለን ገደብ ግዜ ኣገልግሎት ምስተናውሐን ግን ብዙሓት መንእሰያት ብገዛእ ፈቓዶም መጻኢኦም ክርእዩ ብብዝሒ ካብ ሃገር ክወጽኡ ጀሚሮም። ሕጂ ግን ምስ ጎረቤት ሃገር ኢትዯጵያ ዕርቀ ሰላም ተኸቲሙ፡ ኩነተ ኩናት ብወግዒ ኣብቂዑ ስለዘሎ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ግዜኡ ክምለስን እቶም ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገሉ ክጣየሱ ትጽቢት ይግበር። ኤርትራ ኣብ ሓምለ 1994 ምዱብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ እትጅምር ክሳብ ሕጂ ምስ'ዞም ሕጂ ዝምረቑ 32 ዙርያታት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣመሪቓ፡ መበል 25 ዓመት ጽንብል ምጅማር ሃገራዊ ኣገልግሎት ተካይድ ኣላ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49034059"} {"headline":"ቀብሪ ጀነራል ኣብርሃ ወ\/ማርያም (ኳርተር) ኣብ መቐለ ተፈጺሙ","content":"ስርዓተ ቀብሪ ሓላፊ መምርሒ ወፍሪ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ከምኡ ድማ ኣዛዚ እዚ ደቡብ ምብራቕ ኮይኑ ዘገልገለ ጀነራል አብርሃ ወ\/ማርያም (ኳርተር)፡ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ተፈጺሙ። ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ፡ ብላዕለዎት መራሕቲ እቲ ክልል ኣቀባብላ ዝተገበረሉ ሬሳ ጀነራል ኳርተር፡ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ኣብ ዘተረኸበሉ፡ ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት መቐለ ናይ ምፍናው ስነስርዓት እውን ተገይርሉ እዩ። ሓመድ ድበ ጀነራል ኣብርሃ፡ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ካቴድራል ቅዱስ ገብርኤል ዝተፈጸመ ክኸውን ከሎ፤ ኣብ ጎድኒ ብጾቱ ጀነራል ሰዓረን ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን እዩ ተቐቢሩ። እቲ ጀነራል፡ ብዝሓደሮ ሕማም ኣብ ታይላንድ ሕክምና ክከታተል ድሕሪ ምጽንሑ እዩ ቅድሚ መዓልታት ዓሪፉ። ብዛዕባ እዚ መገልጺ ዝሃበ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ደብረጽዮን ገ\/ሚካኤል (ዶ\/ር)፡ ጀነራል ኣብርሃ ኳርተር፡ ብዘጋጠሞ ሕማም ንኽልተ ሰሙናት ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ሕክምና ምስተገበረሉ፡ ንተወሳኺ ሕክምና ናብ ታይላንድ ከምዝተልኣኸ ገሊጹ ነይሩ። እቲ ጀነራል ቅልጡፍ ሕክምና ክረክብ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ምስ መንግስቲ ፌደራልን ሚኒስተር ምክልኻልን ጻዕሪ ከምዝገበሩን እንተኾነ እቲ ዝሓደሮ ሕማም ከቢድ ብምንባሩ፡ ናይ ምድሓን ዕድሉ ዝጸበበ ከምዝኾነ ተነጊሩዎም ምንባሩ'ውን ሓቢሩ እዩ። ጀነራል ኣብርሃ፡ ኣብ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ መዓርግ ሙሉእ ጀነራልነት ካብ ዝረኸቡ ኣርባዕተ ጀነራላት ሓደ እዩ። ጀነራል ኣብርሃ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ መዝነት ምስመጸ፡ 1 ሓምለ 2010 ካብ ሓይልታት ምክልኻል ብጥሮታ ተሰናቢቱ። ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ጀነራል ኣብርሃ ኳርተር ዝተረኸበ ጀነራል ታደሰ ወረደ \"ኣብረሃ መደብ ክፍጽም መንቻኽ እዩ። ብህልኽ እዩ ዝፍጽም። ኳርተር ተዋሂብዎ ከይፈጸሞ ተረፉ ዝበሃል መደብ መደብ የለን\" ይብል። ኣዛዚ እዚ ምብራቕ እናሃለወ እውን ኣብ ክልል ሶማል ምርግጋእ ንምምጻእ ዓብዪ ተራ ከምዝተጻወተ ጀነራል ታደሰ ይገልጽ። ተሓለቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነ ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፤ ጀነራል ኣብርሃ ኳርተር ብኣዝዝነት ኣብ ዝመርሖምን ኣብ ክልል ሶማሌ ይካየዱ ምስ ዝነበሩን ውግኣት ብዝዛመድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተፈጺሙ እዩ ኢሉ ነይሩ። ጀነራል ታደሰ ወረደ ግን ኣብቲ ክልል እወንታዊ ተራ እዩ ተጻዊቱ እዩ ዝብል። \"ምስ ኦብነግን ኣልሸባብን መደበኛ ዘይኮኑ ውግኣት ይካየዱ ነይሮም። ብፍላይ ኣብቲ ጸረ ደባይ ውግኣት፤ ጸረ ሰላም ሓይልታት ኣጽርዩ ነቲ ክልል ኣብ ምርግጋእ ዓብዪ ስራሕ እዩ ሰሪሑ\" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ከም መሓዛ ዝነበሮ ውልቃዊ ባህርታቱ ክገልጽ እንከሎ ድማ \"ስቕተኛ፣ ሕውስውስ በሃላይ'ውን ኣይኮነን። ብዙሕ ግዜ ኣብ ገዝኡ እዩ ዘሕልፍ፤ ቁጡብ እዩ\" ክብል ይገልጾ። ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሩ ዝተዛረበ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራእ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል (ዶ\/ር) ድማ \"ጀነራል ኣብርሃ ኳርተር ብዙሕ ታሪኽ ሰሪሑ ናብቶም ዝተሰውኡ ብጺቱ ተሓዊሱ ኣሎ\" ኢሉ። \"እዚ ብጻይና ብኣገልግሎት እንተኾይኑ፡ ልዕሊ ዝግበኦ ኣገልጊሉ እዩ\" ድማ ኢሉ። ጓሉ ብሌን ኣብርሃ ካብ ኣውስትራልያ ብድምጺ ኣብ ዝለኣኸቶ መልእኽቲ ድማ \"ኣቦይ ንዓይ ፍሉይ ወላዲ እዩ። ናተይ ፍሉይ ፍቕረይ፤ ኩሉሻብ እፈትወካ፡ ኩላትና ድማ ንፈትወካ። ኩርዓትናን ጅግናናን ኢኻ\" ኢላ። ብሌን \"ኣዮኺ ትግራይ፡ ኣዮኻ ህዝብና\" ክትብል ድማ ኣብቲ ብድምጺ ዘሰደደቶ መልእኽቲ ተዛሪባ። ብ ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 1953 ኣብ ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ፡ እንዳባጻሓማ ተወሊዱ። 1971 ዓ.ም ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝተጸምበረ ጅነራል ኣብርሃ፡ ካብ ተራ ተጋዳላይነት ክሳብ ላዕለዋይ መሪሕነት በጺሑ እዩ። ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ድማ፤ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታት ኣገልጊሉ። ኣብ 1986 ዓ.ም ምክትል ኣዛዚ በጦሎኒ ብምዃን ናብ ሩዋንዳ ሰላም ንምዕቃብ'ውን ወፊሩ ነይሩ። በዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ቆልዑን ዝኾነ ጀነራል ኣብርሃ፡ 21 ሰነ 2011 ዓ.ም ኣብ 58 ዓመቱ ኣብ ታይላንድ ባንኮክ፡ ኣብ ሕክምና እናሃለወ ብሞት ተፈልዩ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48823538"} {"headline":"ኤርትራ፡ ኣብ ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለምንታይ ብኣጽዋር ዝተሰነየ ወተሃደራዊ ሰልፊ ገይራ?","content":"ኤርትራ ስለምንታይ ብኣጽዋር ዝተሰነየ ወተሃደራዊ ሰልፊ ገይራ? ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ብሩራዊ ጽንብል ምጅማር ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ እቲ ታሪኻዊ ወፍሪ ኣብ ፍሉይ እዋን ይኽበር ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ዝተረኽበ ምህሮ ብምግምጋም፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዕብየትን ብልጽግናን ሃገር እወታዊ ተራ ከምዝህልዎ ገሊጹ። ሃገራዊ ኣገልግሎት ዓመት መጽአ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሓደስቲ ተመሃሮን ተዓለምትን ምስልጣን ክቕጽል ድዩ ወይስ ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ- ኤርትራ ናብቲ ብኣዋጅ ዝተገልጸ ንቡር ንውሓት ግዜ ናብ 18 ኣዋርሕ ክወርድ እዩ ዝብል ሕቶ ግን ኣይተዛረበሉን። ብዝኾነ ሓላፊ ኣይተገልጸን። እቲ ብቕንያቱ ኣብ ዝተፈላለየ ዞባታት ክካየድ ዝቐነየ ጽንብል ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ብባህላዊ ስፖርታዊ ንጥፈትን ወተሃደራውን ሰልፍን ምርኢት ኣጽዋርን ተጸምቢሉ። እንተኾነ ኣብዚ ሰላም ዝሰፍነሉ ዘሎ እዋን ስለምንታይ እዩ ምርኢት ኣጽዋር ተኻይዱ? ኣድላይ'ዶኸ ነይሩ ዝብል ሕቶታት ንምምላስ ቢ.ቢ.ሲ. ትግርኛ ንሓደ-ሓደ ተንተንቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣዘራሪቡ ኣሎ። ርእይቶኦም እነሆ ... ዶክ. ኣለክስ ድቫል ዋና ዳይረክተር ናይ 'ዎርልድ ፒስ ፋዉንደሽን' (World Peace Foundation)፡ ከምኡ'ውን ናይ ምርምር ፕሮፈሶር ኣብ ታፍትስ ዩኒቨርሲቲ (ክፍሊ ሕግን ዲፕሎማስን) ኢዩ። ንሱ ቀንድን ምኩርን ፈሊጥ ቀርኒ-ኣፍሪቃ'ዩ። ብዛዕባ ጥምየት፡ ግርጭት፡ ህንጸተ-ሰላም፡ ከምኡ'ውን ብዛዕባ ድኹማት ሃገራትን ዝፈሸሉ መንግስትታትን ዓቢ መጽናዕቲ ዘካየደ ተመራማሪ'ዩ። ኣለክስ ደቫል ብዛዕባ እቲ ኣብ ሳዋ ዝተራእየ ወተሃደራዊ ሰልፍን ምርኢት ዓበይቲ ኣጽዋርን እዚ ዝስዕብ ርእይቶ ኣለዎ። \"እቲ ኣብ ኤርትራ ዝተኻየደ ዓቢ ሰልፍን ምርኢት ኣጽዋርን ኣብ እዋን ሰላምን ምርግጋእን ስለዝተኻየደ ከም ዘሎዎ ክረአ እንከሎ ስጊንጢር (odd) ክበሃል ይከኣል። ምስ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ መስርሕ ሰላም ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ጐረቤት ሃገር ሱዳን እውን ብሲቪላውያን ስርዓት ዝመሓደር ዲሞክራሲ ይተኣታቶ ኣሎ። ኤርትራ ኣህጕራዊ ርክባታ ኣመሓይሻ ናብ ንቡር ናብራ ኣብ ምእታው ትርከብ። ምስ ናይ ወሽመጥ ንግስነታት፡ ብሕልፊ ከኣ ናይ ሱዑዲያን ሕቡራት ዒማራት ዓረብን፡ ምሕዝነት ተፈጢሩ እናሃለወ ሕጂ ምርኢት ኣጽዋር ኣይመድለየን። \"ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት፡ ስትራተጂ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣብ ኣህጕራዊ ማሕበረ-ሰብ መእተዊ ምንዳይን ቆላሕታ ዓለም ኣብ ምርካብን'ዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ጸያቕን ዘራግ-ሰላምን ንጥፈታት ብምእላም'ዩ ክካየድ ጸኒሑ። \"ሕጂ ግን፡ ኣብቲ ዞባ እቲ ዝጸንሐ ግርጭት ይንኪ፡ ሓይልታት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ይጎድል ስለዘሎ ኣድላይነት ዓሰብ እውን ምስኡ ክንኪ'ዩ። ዓሰብ ናይቲ ኣብ የመን ክካየድ ዝጸንሐ ዉግእ መናሃርያ ኰይና ምጽንሓ ምግንዛብ የድሊ፣ ኣድላይነታ ኸኣ ከም ቀደም ኣይክኸውንን እዩ። ኣድላይነት ዕርክነት ፕረሲደንት ኢሳያስ ምስ ኣዐንገልቱ ጥራይ ዘይኰነስ ምስ ተሓለቕቲ ስዑዲያን ሕቡራት ዒማራት ዓረብን (ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ከምኡ'ውን ቻይና) ለጠቕ ክብል'ዩ ማለት'ዩ። \"ዓሚ ፕረሲደንት ኢሳያስ ንቀዳማይ [ሚኒስተር] ኣቢዪ ኣሕመድ ብሕቝፊ ምስ ተቐበሎ፡ ነቶም ንኤርትራ ብጽኑዕ ተታሒዞምዋ ዝነበሩ ናይ ትግራይ መራሕቲ ኣብ መቓቕሮ ዘእትዎም ይመስሎ ነይሩ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ትግራይ ብመንጽር መላእ ኢትዮጵያ ከረአ እንከሎ በቲ ዝተኣታተወ ለውጥ ብመጠኑ ተዳኺማ'ያ ግን ብዙሕ ኣይተተንከፈትን። ብተወሳኺ ህዝቢ ትግራይ ነቲ ምስ ኤርትራውያን ኣሕዋቶም ዝተፈጥረ ሰላም ሓንጎፋይ ኢሎም ተቐቢሉምዎ እዮም። \"ሰላም ንስልጣን ኢሳይያስ ልዕሊ ውግእ ከቢድ ብደሆ'ዩ። እቲ ህዝቢ ብዉግእ ተሸቝሪሩ ካብ ዝነብር ሰላም ምስዝረጋገጽ እዩ ዝያዳ ዓይኑ ከንቝሕ ዝኽእል። በዚ ምኽንያት ድማ'ዩ ኢሳይያስ በዚ ምርኢት'ዚ 'ጌና ምስ ሓይለይ ኣሎኹ ክብል ዝፍትን ዘሎ ይመስለኒ\" ይብል። ኣብ ኬንያ ዝመደበሩ ከርት ሊንዲየር፡ ንኤርትራ ጥራይ ዘይኰነስ ንዅለን ሃገራት ኣፍሪቃ ብደቂቕ ዝፈልጥ ሆላንዳዊ ጋዜጠኛ'ዩ (NRC Handelsblad )፣ ንሱ ዘካይዶ 'The Africanists.info' ዝስሙ ዌብሳይት እውን ኣሎዎ። \"እዚ ዓሚ ዝተረጋገጸ ሰላም ድሕሪ ብዙሕ ዕንቅፍቅፍ እዩ መጺኡ። ኣብ ከምዚ ሃዋህው ከኣ ንሰላም ክዕንቅፍ ተኽእሎ ዘለዎ ምርኢት ምክያድ ኣይመድለየን። ስክፍታ ክፈጥር ይኽእል እዩ። ከም ዝመስለኒ ኤርትራ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ናይ ስልጣን ቅድድም ናበይ ገጹ ከም ዜዘንብል ንኽርኢ ዝጽበ ዘሎ እዩ ዝመስል\" ይብል። ሚከላ ሮንግ ነታ \"I Didn't Do It For You: How the World Used and Abused a small African Nation\" ዘርእስታ ዉርይቲ መጽሓፍ ዝደረሰት ጸሓፊት'ያ። \"እዚ ጽንብል'ዚ ንፕረሲደንት ኢሳይያስ ዓቢ ኣጋጣሚ'ዩ ነይሩ - ሳዋ ሽቶኡ ወቒዑ'ዩ፡ ደጊምሲ ይኣክል ንምባል። እዚ ማለት እቲ ዝተበሳጨውን ዓቕሉ ዝጸበቦን ህዝቢ ኣብዚ ዓመት'ዚ ሓድሽ ናይ ሰላም ንፋስ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይነፍስ ስለ ዘሎ፡ ኤርትራ ንወትሩ ኣብ ተጠንቀቕ ክትነብር ኣይግባእን። መናእሰይ ኤርትራ፡ ብሰንኪ'ቲ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሃገሮም ራሕሪሖም ይስደዱ ከም ዘሎዉ ዓለም ትዕዘብ ኣላ። \"ካብታ ኢሳይያስን ኣቢዪን ብኢድ ሰላም እተበሃሉላ መዓልቲ ጀሚራ፡ ኤርትራውያን ከብዶም ሓቚፎም መንግስቶም መናእሰይ ካብ ኣገልግሎት ሓራ ዝወጽሉ ሓድሽ ፖሊሲ ንከተኣታቱ ይጽበይዎ ኣለው። እዚ ዝረኣናዮ ሰልፍን ምርኢት ኣጽዋርን ግን \"ለውጢ የለን - ዋኒን ከም ወትሩ'ዩ\" ዝብል መልእኽቲ ዘሕልፍ ይመስል። እቲ ሰልፊ ምናልባት ንውሑዳት ሰበስልጣናት የሐጉሶም ይኸውን፡ ግናኸ ነቲ ዳግም ዝተዓጽወ ዶብ ንምኽፋት ኰነ፡ ንምምልካት እቲ ነቲ ጌና ዘይተሓንጸጸ ዶብ ኣብ ግምት ብምእታው ክረአ ምተገበአ።\" ዳን ኮነል ብዛዕባ ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን ናይ ነዊሕ ዓመታት ዓሚቝ ፍልጠት ዘሎዎን ብርክት ዝበሉ መጸሕፍቲ ዝደረሰ ኣሜሪካዊ'ዩ። \" ኤርትራውያን ብዙሕ ሓበን ክስምዖም ዘሎዎም ህዝቢ'ዮም - ቆራጽነትን መስዋእትን ናይ'ቶም ቀዳሞት ወለዶ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ናጽነቶም ከረጋግጹን ከውሕሱን ምኽኣሎም ከዅርዖም ይግባእ። ሓደ ዓመት ድሕሪ እቲ ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም ከኣ ፕረሲደንት ኢሳያስ ንህዝቢ ጠርኒፉ ሓደ ዉዕዉዕ ራእይ ከስንቖም ምተገብ፡ ህዝቢ ምእንቲ ናይ ሰላም ራኢ ስለዝተሰወአ። ንዓይ ከምዝረኣየኒ ግን ፕረሲደንት ጌና ኣብ ናይ ቀደም ኣካይዳኡ ጥሒሉ ዘሎ ይመስል። ናይ ኣጽዋር ምርኢት ንምርግጋእ እቲ ከባቢ ከሻቕል ስለዝኽእል ክሕሰበሉ ምተገበአ። ህዝቢ እውን ዝሕጎስ ኣይመስለንን። እቲ ኣብ ሳዋ ዝተራእየ መሳጢ ዓቢ ሰልፊ እቶም መናእሰይ ዓቕሚ ከም ዘሎዎም የርኢ፣ እቲ ምርኢት ኣጽዋር ግን ዉሽጥኻ ዚርብሽ'ዩ\" ይብል። ጀትል ትሮንቮል ፕሮፈሶር ናይ መጽናዕቲ ሰላምን ግጭትን ኰይኑ ናይ ምርምር ዳይረክተር ኣብ ክፍሊ ኣህጕራዊ መጽናዕቲ - ኣብ ኦስሎ ዝርከብ ብየርክነስ ዩኒቨርሲቲ (Bjørknes University College) ኢዩ። \"ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ብዓቢኡ ክርአ ኸሎ፡ ሓድነት ሃገር ከተኣታቱ ዘኽእል ዓቕሚ'ሎዎ። ይዅን'ምበር ብተሓታትነት ክስራሕ ይግባእ፣ እዚ ኸኣ እቲ መደብ ኣብ ሕማቕ መዓላ ከይውዕል ምሕላዉ የድሊ ... እቶም ሓለፍቲ ንረብሓኦም ክብሉ ነቶም መንእሰያት ንኸይምዝምዙዎም፣ እቶም ፖለቲካውያን ድማ ብምስምስ ናይ ጸላኢ ስእሊ ንክይስእሉ ወይ ከኣ ግርጭት ንከይፈጥሩ። \"ብዙሕ ዝተኻየደ መጽናዕትታት ከም ዝሕብሮ፡ እቲ ቀዳማይ ረቛሒ ስለምንታይ ኤርትራውያን መናእሰይ ካብ ሃገሮም ዝሃድምሉ ምኽንያት እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ኣገልግሎት'ዩ። እቲ መንእሰይ ናይ መጻኢ ዕድሉ ክርኢ ኣይክእልን ዘሎ፣ እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ንሓያሎ ዓመታት እቲ ዘይድግፍዎ ፖሊሲ መንግስቲ - እቲ ኣገልግሎት ኣብ ክንዲ ዋኒን ትምህርቶም ዝገብሩ፡ ዝደልይዎ ስራሕ ከናድዩ፡ ሓዳር ክምስርቱ ዕድል ስለ ዘይህቦም'ዩ። እቲ ንልዕሊ 18 ዓመታት ዝተኻየደ ፖሊሲ ንናይ ሓቂ ምዕባለ ዝጻባእ ኢዩ። እቶም ዓቕሚ ዘሎዎም መናእሰይ ኣብ ክንዲ ንምዕባለ ሃገር ዘድሊ ጕልበቶም ዘወፍዩ ብቐጻሊ ካብ ሃገሮም ይሃድሙ ኣለዉ። እዚ ሎማ-ቅነ ክበዓል ዝረኣናዮ ጽንብል ኢዮበልዩ ካብቶም ናይ ቀደም ዝፍለ ኣይመስለንን። ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ ከምዚ'ኦም ዘኣመሰሉ ጽንብላት ኵሉ ጊዜ ኣሎ፣ ኩሉ ግዜ ከኣ ወተሃደራዊ ሰልፊ ኣሎ። እዚ ብኣጽዋር ዝተዓጀበ ሰልፊ ግን ሓይልኻ ከም ምርኣይ'ዩ ዝቝጸር። ከም ዝመስለኒ ፕረሲደንት ኢሳያስ 'ምስ ሓይለይ ኣሎኹ' ዘርእን ዘስምዕን ዝብል ዘሎ ይመስል።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49232164"} {"headline":"ኤርትራ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ መዓስ እዩ ጀሚሩ?","content":"እዚ ሕጂ መበል 25 ዓመቱ ዘብዕል ዘሎ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ፡ ቅድሚ ናጽነት ብኤርትራውያን ሃገራውያን ግዱሳት ነብሲ ወከፍ ሰብ ዓዓቕሙ ከበርክት ዕድል ዘይወሃቦ ብምባል ከምዝጀመረ'ዩ ዝንገር። ቅድሚ ናጽነት ብዓቕሞም ዘበርከቱ እንታይ ይብሉ? መንፈስ እዚ ሕጂ መበል 25 ዓመት ዝገበረ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ፡ ቅድሚ ናጽነት ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ኣብ ስደት ብዝነበሩ ዜጋታት'ዩ ጀሚሩ። ኣብ ምውዳእ 80ታት ህዝባዊ ግንባር ነቲ ገዚፍ ሓይሊ ደርግ ንምስዓር ኣብ ሃገርን ስደትን ዝነብር፡ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዓቕሙ ከበርክት ጻውዒት ገይሩስ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ንሜዳ ኤርትራ ብምእታው ዘዝከኣሎም ከወፍዩ ጀሚሮም። መንእሰይ ኣርቲስት ፍቕረ ገብረየሱስ ሓደ ካብቶም በቲ መንፈስ እቲ ተገዚኡ፡ ኣብ መፋርቕ ሰማንያታት፡ ካብ ጀርመን ንሜዳ ኤርትራ ብምእታው፡ ነቶም ኣብ ሰናጭሮ ሳሕል ኣብ ዝተመስረተ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ተዓቚቦም ዝመሃሩ ዝነበሩ መንእሰያት፡ ን13 ኣዋርሕ ምሂሩን ንጥፈታት እቶም ተማሃሮን ተጋደልትን ብስእልን ኦድዮን ሰኒዱ። ኣብ ሳሕል ኣብ ዝጸንሓሉ ከኣ ዓቕሙ ብዘፍቅዶ ንናብራን ህይወትን ተጋደልትን ተማሃሮኡን: ብስእሊ፡ ቅብኣን ድምጽን ንታሪኽ ዝኸውን ሰነዳት ኣትሪፉ። ፍቕረ ካብ ሳሕል ምስተመልሰ እውን: ኣብ ዝነብረሉ ዝነበረ ሃገራት ስደት ዳርጋ ምሉእ ግዜኡ ንሓርነታዊ ቃልሲ ብምውፋይ: ቃልሲ ናጽነት ንኺዕወት እጃሙ ኣበርኪቱ ምስ ረዚን ዝኽርታቱ ኣብ 2012 ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ሓደ ካብቶም ናይ ሽዑ ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ሕጂ ኣብ ስደት ዝነብር ዘሎ ተስፋይ ዝተባህለ መንእሰይ ከኣ ንፍቕረን ነቶም ብዙሓት ካብ ወጻኢ እናመጽኡ ዝምህርዎምን ዝበጽሑዎምን ዝነበሩ ኤርትራውያን \" ምንጪ ሞራልና እዮም ነይሮም\" ብምባል ብፍቕሪ ይዝክሮም። ኤልያስ ሃብተስላሰ እውን ሓደ ካብቶም ብዙሓት ንሜዳ እናኣተዉ ኣገልግሎት ዝሃቡ ሃገራውያን ተቓለስቲ እዩ። ኣብ 1988 ኣብቲ ምስ ብጾቱ ዝመስረቶ ናይ ራይስ [ REASERECH AND INFORMATION CENTER OF ERITREA] ኣኼባ ክሳተፍ ንሮማ ምስ ከደ፡ ቅድሚኡ እውን ብዛዕባ ስደተኛታት ቀርኒ ኣፍሪቃ መጽናዕቲ ኣካይዱ ነይሩ። ምስ ተጋዳላይ ዑስማን ሳልሕ ናይ ሕጂ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ይራኸብ'ሞ \"ውድብ፡ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራ የድህብ ስለዘሎ ብጻይ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክረኽበካ ይደሊ ኣሎ'ሞ ንሜዳ ምጻእ\" ስለ ዝበሎ፡ እናተሓጎሰ ንሜዳ ኣትዩ። ኣብ ዓምበርብብ ምስ ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኢሳይያስ ምስተራኸበ ከኣ፡ ኢሳይያስ፡ \"ንዑስማን ሳልሕ ኮምሽነር ስደተኛታት ገይርናዮ ኣለና'ሞ፡ ብዛዕባ እቲ ዓውዲ ኣፍልጦ ስለ ዘለካ ከተማኽሮን ክትተሓጋገዞን ንደሊ ኣሎና\" ስለዝበሎ እናተሓጎሰ \"ጸገም የሎን ንሓደ ዓመት ተወፍየ እሰርሕ\" ብማለት ንለንደን ብምኻድ ምስ በዓል ዶክተር ንርኣዪ ኮይኑ፡ ኤራ (commission for Eritrean refugee affairs) እትብል ማሕበር መስሪቶም። በቲ ዝተሓተቶ መሰረት ከኣ ንሱዳን መጺኡ ንሓደ ዓመት ዝተሓሰበ ንክልተ ዓመት ኣገልጊሉ። ኤልያስ: ብስደት ካብ ዝነብረሉን ዝምህረሉን ዝነበረ ምዕቡል ዓለም ሃገረ ሆላንድ: ሃገራዊ ግቡኡ ንምፍጻም ንሜዳ ምስ ኣተወ፡ በቲ ኣብ ፈቐዶ ሰናጭሮ ዝተዶኮነ ትካላት እቲ ውድብ ከምዝተደነቐን \"እዚኣቶም እኳ ምሉእ ዕድመኦም ኣብዚ ከርፋሕ ጎቦታት እናሕለፉዎ ኣነኸ ካብኣቶም ብምንታይ ይፍለ\" ብምባል ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ኣብ ኩሉ ዝተላእኮ ዘበለ ብኹሉ ዓቕሙ ተወፍዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ዳርጋ ኩሉ ዝኽእል ዘበለ ኤርትራዊ ኣብ መሳርዕ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ ዝቃለሰሉ ዝነበረ ሃገራዊ ስምዒት ዝጎሃረሉ እዋን ስለዝነበረ ንሃገርካን ህዝብኻን ብእትኽእሎ ዘበለ ምግልጋል ሓላል'ዩ ነይሩ። ፍስሃየ ገብረገርግስ (ጆርጅ) እውን ካብ ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ስነ-ኪነት ዊና፡ ንመምህራን እታ ኣሕዳሪት ቤት ትምህርቲ፡ ናይ ስልጠና ትምህርቲ ንክህብ ካብ ለንደን ንሜዳ ኣትዩ። ኣብ ኮሌጃት ዓባይ ብሪጣንያ ፊዚክስን ኬምስትርን ዝምህር ዝነበረ ጆርጅ ኣብታ እትጥዕሞ ግዜ ንሃገራውያን ተቓለስቲ አሕዋቱ ብዓቕሙ ክድግፎም ካብ ለንደን ንሱዳን በሪሩ፡ ብዘይምቹእ ጥውይዋይ መገድን ምውት መሬት ሰናጭሮን፡ ኣብ ኣጻድፍ ብዝተሃንጸ ጽርግያ፡ ናብቲ ካብ ደብዳብ ነፈርትን መዳፍዕን ክኽወል ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተዶኮነ ኣባይቲ ኣትዩ። ጆርጅ ብሕልና ንድሕሪት ተመሊሱ ተመኩሮኡ ክዝክር እንከሎ፡ እቲ ኣብ ሓራ መሬት ተሃኒጹ ዝነበረ ስርዓተ ምሕደራን ተወፋይነት እቶም ንናጽነት ዝቃለሱ ዝነበሩ ጅጋኑን ካብ መጠን ንላዕሊ ከምዘድንቖ ይዛረብ። እዚኦም ከም ኣብነት ተጠቒሶም እምበር ብዙሓት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣኣብ ዝተላእኩዎ፡ ብተወፋይነት ንሃገሮም ኣገልጊሎም እዮም። ፍስሃየ (ጆርጅ) ስሙይ መምህር ግእዝን ትግርኛን ፕሮፌሰር በኹረ እውን ሓደ ካብቶም ንሜዳ ኣትዮም ንተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ብምምሃር ልዑል ኣበርክቶ ዝገበሩ ምሁር ምንባሮም ይዝክር። ግንቦት 1991 ሰራዊት ሓርነት ንደርግ ስዒሩ ንርእሰ ከተምኡ ምስተቖጻጸረን ናጽነቱ ምስተጎናጸፈን ህዝባዊ ግንባር ንመጀመርታ ሕጊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብምርቃቕ ኣብ ሕዳር 1991 ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣዊጁ፡ ነቲ ቅድሚ ናጽነት ዝነቐለ በብዓቕምኻ ሃገርካ ናይ ምግልጋል ሕልና ብወግዒ ኣዊጁዎ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49034055"} {"headline":"ዮርዳኖስ፡ ናይ ትሕተ ማይ ወተሃደራዊ ቤተመዘክር ከፊታ","content":"ዮርዳኖስ፡ ኣብታ ሃገር ናይ ፈለማ ምዃኑ ዝተገለጸ፡ ናይ ትሕቲ ማይ ወተሃደራዊ ቤተመዘክር ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከባቢ ገማግም ኣቓባ ከፊታ። ኣብቲ ብረቡዕ ዝነበረ ጽንብል ምምራቕ፡ ብርክት ዝበላ ታንክታት ዝርከብአን ወተሃደራዊ መካይንን ሓንቲ ሄሊኮፕተርን ከም ዝጥሕላ ተገይሩ። እተን ተሽከርከርቲ ብናይ ዓውደ ኲናት ኣሰላልፋ እየን ተቐሚጠን። እቲ ምርኢት፡ ንበጻሕቲ ሓድሽ ተሞክሮ ናይ ቤተመዘክር ከም ዝኸውን፡ ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ገሊጾም። እዚ \"ንስፖርት፡ ኣከባብን ምርኢትን\" ብሓባር ዘጠቓልል ከም ዝኾነ በዓል መዚ ፍሉይ ቁጠባዊ ዞባ ኣቓባ ኣፍሊጡ። መሰል ዋንነት ናይ'ዞም ስእልታት ሕልው እዩ።","category":"ሰራዊት (ወተሃደር)","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49108233"} {"headline":"ነፋሪት 'ኢዚጀት' ብሰንኪ ቦምባ ኣንፈት በረራኣ ቀይራ","content":"ነፋሪት ኢዚጀት፡ ካብ ፖላንድ ናብ ብሪጣንያ ትበርር ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ብሰንኪ ስግኣት መጥቃዕቲ ቦምባ፡ ኣንፈት በረራኣ ናብ ከተማ ፕራግ ቸክ ሪፓብሊክ ክትቕይር ተገዲዳ። እታ ካብ ፖላንድ ከተማ ክራኮቭ ናብ እንግሊዛዊት ብሪስቶል ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ፕራግ ክትዓልብ ተገዲዳ። ፖሊስ ቸክ ሪፓብሊክ፡ እታ ነፋሪት ምስ ዓለበት ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ተረኺቡ። መገዲ ኣየር ፕራግ፡ “ምርመራ ምስ ተኻየደ ዋላ ሓደ ምልክት ቦምባ ኣይተረኸበን” ክብል፡ ብመገዲ ትዊተር ሓቢሩ። ቁጽሪ በረራ EZY6276 ኢዚጀት ካብ ናይ ክልተ ሰዓት በረራ፡ ንሓደ ሰዓት ጥራይ ምስ በረረት እያ ኣብ ፕራግ መዕርፎ ነፈርቲ ቫክላቭ ሃቨል ዓሊባ። መዕርፎ ነፈርቲ ፕራግ፡ እታ ነፋሪት ሰዓት 22፡50 ብሰላም ከምዝዓለበት ገሊፁ። ቢቢሲ፡ ኣብታ ነፋሪት ቦምባ ተጻዊዱ’ዩ ዝብል ሓበሬታ ብኸመይ ከም ዝተረኸበ ንኢዚጀት ክሓትት እንከሎ፡ እቲ መገዲ ኣየር ግን ዛጊት ዝበሎ ነገር የለን።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/czkdnpnjkgmo"} {"headline":"ኣብ ኣሜሪካ ክልተ ነፈርቲ ኣብ ምርኢት እንከለዋ ተጋጭየን","content":"ኣብ ኣሜሪካ ክልተ ነፈርቲ ኣብ ምርኢት እንከለዋ ብምግጫወን ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም። ኣብቲ ንግጭት እተን ነፈርቲ ዘርኢ ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ እተን ነፈርቲ ኣብ ትሑት ብራኸ ክጋጨዋ እንከለዋ፡ እታ ሓንቲ ነፋሪት ኣብ ክልተ ተገሚዓ ኣብ መሬት ክትወድቕ እንከላ ከቢድ ሃልሃልታ ይርአ። እተን ነፈርቲ ኣብ ጥቓ ዳላስ፡ ኣብ ጽምብል ምርኢት ኣየር እየን ነይረን። ብመሰረት ካብ መጥፋእቲ ሓዊ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ኣብ መሬት ኣብ ዝነበሩ ሰባት ዝበጽሐ ጉድኣት የለን። ማሕበር ኣብረርቲ ነፈርቲ ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ካብ መንጐ እቶም በቲ ግጭት ዝሞቱ፡ ቴሪ ባርከርን ለን ሩትን ዝተበሃሉ ክልተ ኣባላቱ ነበር ከምዝርከብዎም ገሊጹ። ነቲ ‘ዊንግስ ኦቨር ዳላስ ኤየርሾው’ ዝተሰመየ ብቐዳም ዝተኻየደ ምርኢት ካብ 4000 ክሳዕ 6000 ዝበጽሑ ሰባት ይዕዘቡ ነይሮም። ክሪስ ክራቶቮል ዝተበሃለ ምስክር ዓይኒ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ክንድኡ ዝኣክል ህዝቢ “ኣብ ቋሕ-ሰም ካብ ጫውጫው ናብ ስቕታ ክቕየር” ርእዩ ከምዘይፈልጥ ተዛሪቡ። ፌደራላዊ ምምሕዳር በረራ ነቲ ሓደጋ ክምርምሮ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ከንቲባ ዳላስ ኤሪክ ጆንሰን ብወገኑ ብትዊተር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ነቲ ፍጻመ “ሕማቕ ኣጋጣሚ” ክብል ገሊጽዎ። ቍጽሪ ምውታት ገና ይጻረ ከምዝነበረን ኣብ ባይታ ኣብ ዝነበሩ ሰባት ግን ዝበጽሐ ጉድኣት ከምዘየለ ኣረጋጊጹ። ሓንቲ ካብተን ነፈርቲ ቢ-17 ዝዓይነታ ደብዳቢት ነፋሪት ቦይንግ ክትከውን እንከላ፡ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ልዕሊ ጀርመን ዓወት ኣብ ምምዝጋብ ቀንዲ ተራ እዩ ነይርዋ። እታ ካልኣይቲ ነፋሪት ከኣ ፒ-63 ኪንጎኮብራ እያ። እዚአን’ውን ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ሓይሊ ኣየር ሕብረት ሶቭየት ዝጥቀመለን ዝነበረ ዓይነት እያ። ቢ-17 ካብ ኣርባዕተ ክሳዕ ሓሙሽተ ሰራሕተኛታት ሒዛ እትበርር ኰይና፤ ፒ-63 ከኣ ሓደ ኣብራሪ ጥራይ ከም እትሕዝ ሓደ ካብ ወደብቲ እቲ ምርኢት ዝዀነ ሃንክ ኮትስ ይገልጽ። “እዚ ነተን ነፈርትን ዓቕመንን ንምንጽብራቕ ዝተዳለወ መርኣዪ ውግእ ካልኣይ ኲናት ዓለም እዩ ነይሩ፡” ክብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c51x3966w2ro"} {"headline":"ህንዲ፡ መሰጋገሪ ድልድል ብምፍራሱ 141 ሰባት ሞይቶም ሓያለ ጠፊኦም","content":"ኣብ ምዕራብ ህንዲ ዞባ ጉጃራት ብልዕሊ ፈለግ ዝሓልፍ ናይ ኣጋር መሰጋገሪ ድልድል ትማሊ ምሸት ብምፍራሱ ብውሕዱ 132 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ቁጽሮም ዘይተፈለጠ ሰባት ሃለዋቶም ጠፊኡ ከምዘሎ ተገሊጹ። ብዓል መዚ እቲ ኸባቢ ካብቶም ዝሞቱ ሰባት እቶም ዝበዝሑ ህጻናት፡ ደቂ ኣንስትዮን ኣረጋውያንን ምዃኖም ሓቢሩ። እቲ ድልድል መሰጋገሪ ኣጋር፡ ጽገና ተገይርሉ ቅድሚ ሓደ ሰሙን’ዩ ዳግማይ ንኣገልግሎት ተኸፊቱ። ህንዳውያን 'ዲዋሊ' ኢሎም ዝጽውዕዎ ፈስቲቫል ንምጽንባል ኣዝዩ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ’ቲ ድልድል ከምዝነበረ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። እቲ 230 ሜትሮ ንውሒ ዘለዎ ድልድል ብልዕሊ ፈለግ ማቹቹ ዝሓልፍ ኮይኑ፡ ህንዲ ብብሪጣንያ ኣብ እትመሓደረሉ ዝነበረት እዋን ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን’ዩ ተሰሪሑ። ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ሃለዋቶም ዘይተፈለጠ ብዙሓት ሰባት ስለዘለዉ ቁጽሪ ምውታት ካብዚ ዘለዎ ኣዝዩ ክውስኽ ከምዝኽእል ተገሚቱ ኣሎ። ፖሊስ፣ ሰራዊትን ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕንን ምሉእ ለይቲ ኣብ ስራሕ ህይወት ምድሓን ከምዝርከቡን እቲ መስርሕ ገና ይቅጽል ከምዘሎን ክፍለጥ ተኻኡሉ። ክሳብ ሕጂ 177 ሰባት ካብቲ ፈለግ ብድሓን ከምዝወጽኡ ሰብ መዚ እቲ ኸባቢ ገሊጾም። ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል “ብዙሓት ህጻናት ምስ ወለዶም ኮይኖም ንፈስቲቫል ዲዋሊ ብሓጎስ ኣብ ምጽንባል ነይሮም” ኢሉ። ንሱ ብምስዓብ “ሃንደበት እቲ ድልድል ምስ ተሰበረ ኣብ ርእሲ ርእሲ ናብቲ ፈለግ ክወድቑ ጀሚሮም፤ እቲ ድልድል ልዕሊ ዓቕሙ ሰብ ስለዝተሰከመ’ዩ ክወድቕ ክኢሉ” ይብል። ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ቪድዮ፡ ገለ ሰባት በቲ ኣብ ወሰን ድልድል ዝነበረ ብገመድ ዝተሰርሐ ሬተ ህይወቶም ንምድሓን ክጋደሉ እንከለዉ የርኢ፡ ገለ ናይ ምሕንባስ ክእለት ዝነበሮም ኸኣ እናሐንበሱ ናብ ደንደስ እቲ ፈለግ ክወጽኡ ተራእዮም። እቲ ድልድል ትማሊ ምሸት ብኣቑጻጽራ ህንዲ ንሰዓት ሸውዓተ ዕስራ ጎደል’ዩ ወዲቑ። እቲ ድልድል ቅድሚ ምውዳቑ፡ ብርቱዕ ዓጠጥታ ድምጺ ኣሰንዩ ሰይሰይ ክብል ኣብ ዝጀመረሉ እቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ድልድል ዝነበሩ ሰባት ናብ ወሰን እቲ ድልድል ዝነበረ መደገፊ ንምሓዝ ከምዝተጎየዩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም። ጉጃራት መበቖል ዓዲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናነንድራ ሞዲ ኮይና፡ ንሱ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣዝዩ ከምዝሓዘነ ብምግላጽ ንስድራ ግዳያት ካሕሳ ክውሃብ ምዃኑ ቃለ ኣትዩ። ሰብ መዚ እቲ ኸባቢ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ጽጹይ መርመራ ክግበር ምዃኑ ገሊጾም ኣለዉ። እቲ ድልድል ድሕሪ ጽገንኡ ንድልዳለኡ ዝምልከት እኹል ፈተነ ተኻይድሉ ድዩ ዝብል ሕቶ ብዙሓት ዘልዕልዎ ዘለዉ ኮይኑ፡ መንግስቲ ነዚ ከጻርዮ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ኣሎ። ፓራተክ ቫሳቫ ኣብ እዋን ምውዳቕ እቲ ድልድል ኣብኡ ዝነበረ ኮይኑ ከመይ ገይሩ ሓንቢሱ ናብ ደንደስ እቲ ፈለግ ከምዝወጽአ ንማዕከን ዜና ‘24 ሃወርስ ጉጅራቲ ላንጉጅ’ ገሊጹ። ንሱ ኣዝዮም ብዙሓት ህጻናት ናብቲ ፈለግ ከምዝወደቁ ብምሕባር “ንገለ ካብቶም ህጻናት ክሕግዝ ፈቲነ ግን ኣይክኣልኩን ገሊኦም ናብ ውሽጢ ጥሒሎም ገለ ኸኣ በቲ ፈለግ ተወሲዶም” ኢሉ።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cz71xgkwj7xo"} {"headline":"ኣጽዋር ተሰኪማ ናብ ባንግላድሽ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ግሪኽ ወዲቓ","content":"እታ ነተጕቲ ሓዊሱ 11 ቶን ኣጽዋር ሒዛ ናብ ባንግላድሽ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት፡ ኣብ ሰሜናዊ ግሪኽ ከም ዝወደቐት ሰበ - ስልጣን ገሊጾም። እታ ኣንቶኖቭ-12 ዝዓይነታ ነፋሪት ካብ ዝወደቐትሉ ከባቢ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኪሎ ሜትር ዝነብሩ ሰባት ካብ ገዛኦም ንኸይወጹ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ኣሎ። እታ ነፋሪት ቀዳም ምሸት ኣብ ጥቓ ከተማ ካቫላ ምስ ወደቐት፡ ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ሸሞንተ ሰባት ህይወቶም ከም ዝሓለፈ ተፈሊጡ። መሰኻኽር ዓይኒ ዝቐድሕዎ ምስሊ፡ እታ ነፋሪት ክትወድቕን ክትቃጸልን ዝነበረ ባርዕ የርኢ። እቲ ዝወደቐትሉ ቦታ ንጥንቃቐ ተባሂሉ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ መርመራ ይግበረሉ ኣሎ። ብመንግስቲ ዝውነን ቴለቪዥን ግሪኽ፡ ክኢላታት ነተጕቲ ከምኡ'ውን ሰራሕተኛታት ኮሚሽን ኣቶማዊ ጸዓት ግሪኽ፡ እቲ ቦታ ድሕነቱ ክሳብ ዝረጋገጽ ናብቲ ቦታ ከም ዘይቀረቡ ገሊጹ። \"እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዝተገብረ መዐቀኒታት (ኣየር) ኣብቲ ግራት ዝተቓጸለን ስብርባር ነገራትን እንተዘይኰይኑ ካልእ ነገር ኣየርአን፡\" ክብል ካብ ክፍሊ መጥፋእቲ ሓዊ ሰሜናዊ ግሪኽ ሌተና ጀነራል ማሪዮስ ኣፖስቶሊዲስ ሓቢሩ። \"ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ብርቱዕ ትኪ፡ ሙቐት ከምኡ'ውን ዘይንፈልጦ ጻዕዳ ነገር ስለ ዘሎ ሓደ ፍሉይ ጕጅለ ዕጡቓት ሰራዊት እንታይ ምዃኑን ናብቲ ግራት ክንኣቱ ንኽእል እንተዄናን ክነግረና ኣለዎ\" ኢሉ። ኣብራሪ እታ ነፋሪት፡ ድሕሪ ምብጋሱ ነዊሕ ከይጸንሐ ጸገም ሞተር ስለ ዝነበሮ፡ ኣብቲ ኣብ ግሪኽ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቫላ ህጹጽ መዕረፊ ክግበረሉ ከም ዝሓተተ እዩ ዝንገር። እንተዀነ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ክበጽሕ ኣይከኣለን። ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት፡ ነታ ነፋሪት ኣብ ከባቢ ሰዓት 22፡45 ርእዮምዋ ነይሮም። እታ ነፋሪት ክትወርድ እንከላ ዝረኣየታ ኣይሚልያ ታፕታኖቫ፡ ኣብቲ ገዛውቶም ብዘይምውዳቓ ከም ዝተገረመት ገሊጻ ። \"ትኪ መሊኡ ክገልጾ ዘይክእል ጫውጫው ነይርዎ። በቲ ከረን'ያ ሓሊፋ። ብኡ ኣቢላ ድማ ናብቲ ግራውቲ ተላቲማ። ንዕኡ ስዒቡ ሃልሃልታ ሓዊ ስለ ዝነበረ ፈሪሕና ነይርና። ብዙሓት መካይን'ኳ እንተመጽኣ ቐጻሊ ነትጒ ስለ ዝነበረ ኣይተጸጋዕናን\" ኢላ። ሚኒስተር ጸጥታ ሰርብያ ነቦኽሻ ስቴፋኖቪች፡ እታ ነፋሪት ዳርጋ 11,000 ኪሎ ግራም ኣብ ሰርብያ ዝተሰርሐ ኣጽዋር ናብ ባንግላድሽ ክተብጽሕ ትጓዓዘት ከም ዝነበረት ሓቢሩ። እንተዀነ፡ ኣብታ ነፋሪት እንታይ ዓይነት ኣጽዋር ከም ዝነበረ ዝገልጽ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ጸብጻባት ኣሎ። ሚስተር ስቴፋኖቪች እቲ በረራ \"ናይ ሞርታር መዐደንን ናይ (ነተጕት) ስልጠናን ከም ዘጠቓልል\" ይገልጽ። ኣስዒቡ፡ እቲ በረራ \"ምስ ዓለምለኸ ስርዓታት ዝሰማማዕ ኣድላዪ ፍቓድ ነይርዋ፡\" ኢሉ። ዳይረክተር ሸያጢ ኣጽዋር ቫሊር እውን፡ ኣብታ ነፋሪት ነተጕቲ ከም ዝነበረ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ይዅን'ምበር ኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ወተሃደራዊ ህዝባዊ ርክባት ባንግላደሽ፡ እታ ነፋሪት ንወተሃደራትን ሓለውቲ ዶብን ንምስልጣን ካብ ሰርብያ ዝተዓደገ ሞርታር ሒዛ ከም ዝነበረት ንቢቢሲ ቤንጋሊ ገሊጹ። እታ ናብ ርእሲ ኸተማ ባንግላደሽ - ዳካ ናይ መወዳእታ መዓርፎኣ ቅድሚ ምብጻሓ ኣብ ዮርዳኖስ፡ ስዑዲ ዓረብን ህንድን ክተላግስ ተሓሲባ ዝነበረት ነፋሪት፡ ብነፈርቲ ጽዕነት መሪድያን - ዩክረይን ትመሓደር ኰይና፡ ኣብረርታ ዩክሬናውያን ምዃኖም ተፈሊጡ'ሎ።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cmje2g4rn2eo"} {"headline":"ነፋሪት መገዲ ኣየር ስሪዊጃያ ኢንዶኔዥያ ድሕሪ ምብጋሳ ተሰዊራ","content":"ኣብ ኢንዶኔዥያ ልዕሊ 50 ገያሾ ዝጸዓነት ነፋሪት ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ርእሰ ከተማ ጃካርታ ድሕሪ ምብጋሳ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ደሃይ ኣጥፊኣ ኣላ። እቲ ነፋሪት መገዲ ኣየር ስሪዊጃያ ዝኾነት ቦይንግ 737 ናብቲ ኣብ ዞባ ምዕራብ ካሊማንታን ዝርከብ ከተማ ፖንትያናክ ትበርር ምንባራ ሰብ መዚ ሓቢሮም። ንበረራታት ዝከታተል መርበብ ሓበሬታ Flightradar24.com ከም ዝሓበሮ፡ እታ ነፋሪት ኣብ ሓደ ደቒቕ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ልዕሊ 3000 ሜተር ኣንቆልቂላ ነይራ። ናይ ህይወት ኣድሕን ጻዕርታት ይካየድ ምህላው ድማ ሚኒስትሪ መጉዓዝያ ናይ'ታ ሃገር ገሊጹ ኣሎ። እቲ ምስታ ነፋሪት ዝተገብረ ናይ መወዳእታ ርክብ ብኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ ሰዓት 14፡40 ምንባሩ እቲ ሚኒስትሪ ገሊጹ። ብመሰረት እቲ ተዋሂቡ ዘሎ ሓበሬታ እታ ነፋሪት ዓይነታ ከምተን ቅድሚ ሕጂ ክልተ ዓበይቲ ሓደጋታት ዝገጠመን ቦይንግ 737 ማክስ ኣይኮነትን። እታ ነፋሪት 27 ዓመታት ዘገልገለት ቦይንግ 737-500 እያ። ናይ ውሽጢ ሃገር በረራታት ኣገልግሎት ዝህብ መገዲ ኣየር ስሪዊጃያ፡ ብዛዕባ እቲ በረራ ሓበሬታታት ይኣኻኽብ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ካብቲ ኣብ ቦይንግ 737 ማክስ ዘጋጠመ ክልተ ሓደጋታት: እቲ ቀዳማይ ኣብ ጥቅምቲ 2018 ኣብ ነፋሪት መገዲ ኣየር ላየን ኢንዶኔዥያ ዘጋጠመ ኮይኑ በቲ ሓደጋ 189 ሰባት ሞይቶም እዮም።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55602340"} {"headline":"ኢንዶኔዥያ 'ብላክ ቦክስ' ንምንዳይ እትጥቀመሉ መሳርሒ ከም ዝተበላሸወ ተገሊጹ","content":"ኢንዶኔዥያ ናይታ ዝወደቐት ነፋሪት መገዲ ኣየር ሳንዱቕ መመዝገቢ መረዳእታ (ብላክ ቦክስ) ንምርካብ ትጥቀመሉ ዘላ መሳርሒ \"ቴክኒካዊ ጸገማት ከም ዘለዎ\" ሰብ መዚ ሓቢሮም። ንሳቶም፡ ካልእ ሓድሽ መሳርሒ ካብ ሲንጋፖር ክመጽእ ይጽበዩ ምህላዎም'ውን ገሊጾም። ብቐዳም 62 ሰባት ጽዒና ካብ ጃካርታ ዝተበገሰት ነፋሪት መገዲ ኣየር ስሪዊጃያ በረራ ቁጽሪ ኤስጄ 182፡ ናብ ደሴት ቦርኒዎ እናበረረት እንከላ እያ ካብ ራዳር ተሰዊራ። ኣብ ምንዳይ ዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታት ዛጊት ገለ ስብርባር ናይ ነፋሪትን ኣካላት ናይ ሰብን ረኺቦም ኣለው። ንጠንቂ ምውዳቕ እታ ነፋሪት ኣብ ምፍላጥ ዓቢይ ኣበርክቶ ዘለዎ 'ብላክ ቦክስ' እታ ነፋሪት ቅድሚ ምውዳቓ ንዝነበረ ናይ ድምጽን ካልእን ሓበሬታ ሰኒዱ ዘጽንሕ ኮይኑ፡ ሓምበስቲ እዚ ንዋት ዝርከበሉ ከባቢ ኣለልዮም ከም ዘለው ይግለጽ። እቲ ኣብቲ መናደዪ ከም ዘሎ ዝንገር ዘሎ ብልሽት ነቲ መስርሕ ምንዳይ ክሳብ ክንደይ ክጸልዎ ከም ዝኽእል ግን ኣይተነጸረን። ኣብ ምድላይ እቲ 'ብላክ ቦክስ' ዝተዋፈሩ ሓምበስቲ ንጥፈታቶም ይቕጽሉ ምህላዎም ግና ሓንቲ መደበር ቴለቪዥን ሎሚ መዓልቲ ጸብጺባ። ዛጊት ዘሎ ምዕባለታት ብሰኑይ፡ ፖሊስ ኢንዶኔዥያ ንፈላመይቲ ግዳይ - ጓል 29 ዓመት ሰራሕተኛ እታ ነፋሪት ከለልዩ ክኢሎም ኣለው። ሓምበስቲ ስብርባር ናይታ ነፋሪት፣ ኣካላት ሰባትን ክዳውንትን ረኺቦም'ዮም። ሓለቓ ስታፍ ሓይሊ ባሕሪ ዩዶ ማርጎኖ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ \"ኣብ ታሕቲ ብዙሕ ስብርባር እዩ ዘሎ፤ ሒደት ኢና ኣውጺና። ተስፋ እገብር ነቲ ብላክ ቦክስ ኣብኡ ክንረኽቦ\" ኢሉ። ብሰኑይ ኣብቲ ስርሒት ከባቢ 2600 ሰባት ምስ 50 መራኽብን 13 ነፈርትን ከም ዝተሳተፉ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ። ኣብቲ ሓሙሽተ መድረኻት ዘለዎ ናይ ምርመራ ደረጃታት፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ካልኣይ ደረጃ በጺሖም ምህላዎም ሰብ መዚ ድሕነት በረራ ገሊጾም።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55629599"} {"headline":"ጸረ-ኣንበጣ መድሃኒት እትነጽግ ነፋሪት ኣብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ወዲቓ","content":"ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ንዝተኸሰተ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምክልኻል መድሃኒት (ኬሚካል) ኣብ ምንጻግ ዝነበረት ንእሽቶ ነፋሪት ሎሚ ከምዝወደቐት ተገሊጹ፡፡ እታ ነፋሪት ሎሚ ከባቢ ሰዓት ሽዱሽተ፡ መድሃኒት ንምንጻግ እናዞረት እንከላ ኣብ ቀበሌ ጊዲያ በሃ ከምዝወደቐት ኣመሓዳሪ ወረዳ ጃርሶ ኣቶ ዓብዱልቃድር ደዚ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡ ዕስለ ኣንበጣ ኣብታ ቀበሌ ካብ ዝኣቱ ራብዓይ መዓልቱ ከምዘቑጸረን ሓያል ዕንወት የውርድ ከምዝሎን ዝገለጸ እቲ ኣመሓዳሪ፡ እታ ነፋሪት ጸረ ኣንጣ ኬሚካል ንምንጻግ ምስመጸት እቲ ሓደጋ ከምዘጓነፈ ገሊጹ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ኣምሓራ ወረዳ ወረባቦ ዘጋጠመ ዕስለ ኣንበጣ ንምክልኻል መድሃኒት ትነጽግ ዝነበረት ሂልኮፕተር ፍራንጉል ኣብ ዝበሃል ከባቢ ወዲቓ ምንባራ ይፍለጥ፡፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ኣብራሪ እታ ሄልኮፕተር ካብ ዝበጸሖ መጠናዊ ጉድኣት ወጻኢ ኣብ ህይወት ሰብ ዝወረደ ሓደጋ ከምዘይነበረ ተገሊጹ እዩ፡፡ ኣብታ ሎሚ ኣብ ምብራቕ ሃረርጌ ዝወደቐት ነፋሪት ኣብራሪ ጥራሕ ከምዝነበረን፡ ጉድኣት ከምዘይበጽሖን ኣብታ ነፋሪት እውን ካብ ጎማ ወጻኢ ብዙሕ ከቢድ ሓደጋ ከምዘየጓነፈ ኣቶ ዓብዱልቃድር ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54470225"} {"headline":"ቦይንግ ብሰንኪ ናይ 737 ማክስ ውዲት 2.5 ቢልዮን ዶላር ክኸፍል እዩ","content":"ቦይንግ ኣብ ስርሓት ነፋሪት 737 ማክስ ካብ ሰብመዚ ድሕነት ኣሜሪካ ሓበሬታ ምሕብኡ ዝቐረበሉ ክሲ 2.5 ቢልዮን ዶላር ክኸፍል ተሰማሚዑ። ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ትካል \"ካብ ግሉጽነት ንረብሓ\" ከም ዘቐደመ ሓቢሩ። ካብቲ ገንዘብ እቲ 500 ሚልዮን ዶላር ናብ ስድራ እቶም ኣብ ክልተ ሓደጋታት ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ ዝሞቱ 346 ሰባት ዝወሃብ ምዃኑ ተፈሊጡ። ዋና ኣካያዲ ስራሕ ቦይንግ ዴቪድ ካልሆን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ \"ነዚ መፍትሒ ምቕባል ንዓና ክንገብሮ ዘሎና፡ ቅኑዕ ነገር ምዃኑ እኣምን\" ኢሉ። ወሲኹ'ውን \"ስለዚ እዚ ነቲ ናይ ግሉጽነት ንግዴታታትና ክሳዕ ክንደይ ዕቱባት ክንከውን ከም ዘሎናን ነዚ ምስ ዘይነማልእ ትካልና ክገጥሞ ዝኽእልን መዘኻኸሪ እዩ\" ክብል ተዛሪቡ። ሰብ መዚ ቦይንግ ብዛዕባ እቲ ኤምካስ ዝበሃል ኣውቶማቲካዊ ስርዓተ መቆጻጸሪ በረራ ሓበሬታ ከም ዝሓብአ ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ገሊጹ። ድሕሪ እቲ ኣብ 2018 ኣብ ኢንዶኔዥያን ኣብ 2019 ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሓደጋ ነፈርቲ ቦይንግ ዝተኻየደ መርመራታት፤ እቲ ጸገም ምስ ኤምካስ ዝተኣሳሰር ኮይኑ እዩ ረኺብዎ። እቲ ንኣብረርቲ ዝወሃብ መምርሒ፡ ብዛዕባ እቲ ኣውቶማቲካዊ ስርዓተ መቆጻጸሪ በረራ እኹል ሓበሬታ ዝህብ ኣይነበረን። ቦይንግ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ምስ መርመርቲ ክተሓባበር ፍቓደኛ ከም ዘይነበረ ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ሓቢሩ።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55584074"} {"headline":"ኣመሪካ፡ ካብ ሰማይ ዝወደቐ መኽደን ሞተረ ነፋሪት፡ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ዓሊቡ","content":"ሓንቲ ቦይንግ ነፋሪት ኣብ ሰማይ እንከላ፡ ሓደ ሞተረኣ ካብ ስራሕ ወጻኢ ብምዃኑ፡ ኣብ ጥቃ ከተማ ዴንቨር ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይቲ ተበታቲኑ ከምዝውደቐ ተፈሊጡ። እዛ ብግስ ምስ በለት ናይ ሞተረ ምብልሻው ዘጋጠማ ነፋሪት ቦይንግ 777፡ 231 ገያሾን 10 ኣባላት በረራ ኣሳፊራ ዝነበረት ኮይና ብዘይ ዝኾነ ጸገም ናብቲ ዝተበገሰቶ መዓርፎ ነፈርቲ ዴንቨር ተመሊሳ ብሰላም ዓሊባ። ፖሊስ ናይ'ታ ጥቃ ከተማ ዴኒቨር እትርከብ ከተማ ብሩምፊልድ፡ እቲ ስብርባር ዝዓለበሉ ቦታታት ብስእሊ ኣሰንዮም ኣብ ናይ ፌስቡክ ዘርጊሐሞ። ኣብ'ታ ነፋሪት ዝነበሩ ተጓዓዝቲ፡ እታ ነፋሪት ኣብ ሰማያት ነዊሕ ከይከደት 'ብርቱዕ ድምጺ ምፍንጃር' ከምዝሰምዑ ተዛሪቦም። እዛ ብቁጽሪ በረራ 328 ትበርር ዝነበረት ብመገዲ ኣየር ዩናይትድ ትውነን ቦይንግ 777፡ ኣብ የማናይ ሸነኽ ዝነበረ ሞተረኣ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ከምዝኾነ ምምሕዳር ፈዴራል ኣቬየሽን ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። ሓደ ካብቶም ኣብ'ታ ነፋሪት ተሳፊሮም ዝነበሩ ገየሽቲ ንወኪል ዜና ኤፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብርቱዕ ድምጺ ኣብ ዝተሰማዓሉ፡ እቲ ኣብራሪ ብመጉልሒ ጽምጺ ንተጓዝቲ ሓበሬታ ይህቦም ከምዝነበረ ገሊጹ። እቲ ደቪድ ድሉቸሽያ ዝተብሃለ ተጓዓዚ \"እታ ነፋሪት ብኸቢድ ክትሕቆን ጀሚራ፡ ካብቲ ንኸዶ ዝነበርና ብራኸ ኸኣ ንታሕቲ ገጽና ክንንቆት ጀሚርና\" ኢሉ። ወሲኹ ድማ፡ ንሱን ብዓልቱ ቤቱን ምናልባት እታ ነፋሪት እንተወዲቓ ሬሰኦም መታን ክልለ ኢሎም ነቲ ንመንነቶም ዝገልጽ ወርቓቕቲ ኣብ ጅበኦም ከምዘቐመጥዎ ሓቢሩ። ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርገሐ ኣሳእል፡ እታ ነፋሪት ኣብ ሰማይ እንከላ ካብ ሓደ ሞቶረኣ ትኪ ይወጽእ ምንባሩ የርኢ። ሓደ ኣብ ውሽጢ እታ ነፋሪ ኮይኑ ዝሰኣሎ ተንቀሳቃሲ ምስሊ'ውን ሓደ ሞተረ ናይ'ታ ነፋሪት ሓዊ እናተቓጸለ የርኢ። እቲ ክስተት ብኣቆጻጽራ ከባቢ ኮሎራዶ፡ ቀዳም ከባቢ ሰዓት 1 ናይ ድሕሪ ቀትሪ እዩ ኣጋጢሙ። ፖሊስ ከተማ ብሩምፊልድ፡ ነበርቲ ወዲቑ ንዝጸንሖም ክፋል ሞተረ ናይ'ዛ ነፋሪት፡ መታን ንጠንቂ እቲ ባርዕ ንምፍላጥን ንመርመራ ክሕግዝን፡ ብኢዶም ከይትንክፉ ተማሕጺኖም ኣለዉ። ሓንቲ ነባሪት ብሩምፊልድ ንሲኤንኤን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዝተበታተነ ክፋል ናይ'ቲ ሞተር ካብ ሰማይ እናወረደ እንከሎ ብዓይና ከምዝርኣየቶን ምስ ደቃ ኣብ ከውሊ ከምዝተሓብአትን ንሲኤንኤን ገሊጻ።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56144308"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን፡ ክልተ ወታሃደራውያን ሄሊኮፕተራት ኣብ ሰማይ ተጋጭየን","content":"ኣብ ኣፍጋኒስታን ክልተ ውጉኣት ኲናት ዘግዕዛ ዝነበራ ክልተ ወታሃደራውያን ሄሊኮፕተራት ንሓድሕደን ተጋጭየን ከም ዝወደቓ ሰበስልጣን ሓቢሮም። ኣብቲ ሓደጋ ብውሕዱ 9 ኣብተን ሄሊኮፕተራት ዝነበሩ ወታሃደራት ከምዝሞቱ ተፈሊጡ'ሎ። ጠንቂ ናይቲ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ናዋ ዝተባህለ ቦታ ዘጋጠመ ግጭት ቴክኒካዊ ምዃኑ ተገሊጹ። ዕጡቓት ጣሊባንን ብነፈርቲ ወግእ ኣመሪካ ዝድገፉ ሓይልታት መንግስትን ካብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ጀሚሮም ኣብ ከባቢ ርእሰከተማ ዞባ ሄልማንድ ከቢድ ውግእ የካይዱ ኣለዉ። መጥቃዕቲ ሓይልታት ጣሊባን ንርእሰከተማ ናይቲ ዞባ ዝኾነት ላሽካር-ጋህ ንምቁጽጻር ዝዓለመ'ዩ። ልዕሊ 35,000 ሰባት ካብቲ ከባቢ ተፈናቒሎም ከምዝወጹ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር ሓቢሩ'ሎ። ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ቐጠር ድሕሪ ዝገበርዎ ዝርርብ ሰላም ካብ ዝተገብረ ውግእ እዚ እቲ ዚሓየለ ምዃኑ ይጥቀስ። ብዛዕባ ኣገባብ ምቁራጽ ተጻብኦታት ይኹን፡ ተኽእሎ ምምስራት ናይ ሓባር መንግስቲ ክሰማምዑ ኣይካኣሉን። ኣዛዚ ሰራዊት ወታሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ፡ ኔቶ፡ ኣመሪካዊ ጀነራል ስኮት ሚለር፡ ጉጅለ ጣሊባን ንመስርሕ ዝርርብ ሰላም ንምኹላፍ መጥቃዕቲ ምጅማሩ ኮኒኑ ነይሩ። ኣብ ጥቓ ሄልማንድ ኣብ እትርከብ ዞባ ካንዳሃር ብዝተኻየደ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ'ውን መስመራት ቴለፎንን ኤለክትሪክን ካብ ስራሕ ወጻኢ ምዃኖም ጸብጻባት ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54543835"} {"headline":"ኢራን ንምሕምሻሽ ነፋሪት ገያሾ ዩክረይን ‘ምሉእ ብምሉእ’ ተሓታቲት’ያ - ካናዳ","content":"መንግስቲ ካናዳ ንምሕምሻሽ ነፋሪት ዩክረይን ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ \"ኣቐዲሙ ዝተወጠነ\" ምዃኑ ዘረጋግጽ መርትዖ ከም ዘይረኸበ እኳ እንተገለጸ፤ ኢራን \"ምሉእ ብምሉእ\" ተሓታቲት እያ ኢሉ። 8 ጥሪ 2020 ነፋሪት ዓለምለኻዊ መገዲ ኣየር ዩክረይን ቁጽሪ በረራ ፒኤስ752 ካብ ርእሰ ከተማ ኢራን፡ ቴህራን ድሕሪ ምብጋሳ እያ ብኽልተ ሚሳይላት ተሃሪማ። ኣብኣ ካብ ዝነበሩ 176 ሰባት ድማ ብህይወት ዝተረፈ ኣይነበረን። ነጻ መርመራታት ከይካየድ ብምዕንቃፍ እትኽሰስ ኢራን፡ ነታ ነፋሪት ምስ ሚሳይል ናይ ኣመሪካ ብምግጋይ ከም ዝሃረመታ ትገልጽ። ካብቶም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ግዳያት እቶም 138 ዜግነት ካናዳ ወይ ዝምድና ዘለዎም ምንባሮም ይፍለጥ። ብዘይካኦም ዜጋታት ዩክረይን፡ ብሪጣንያ፡ ኣፍጋኒስታንን ሽወደንን'ውን ነይሮም። ካናዳ ብሓሙስ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ሲቪላውን ወተሃደራውን ሰብ መዚ ኢራን ተሓተትቲ ምዃኖም ሓቢራ። እቲ ነቲ ጸረ ነፈርቲ ዘንቀሳቕስ ሰብ \"ብውልቃዊ ውሳነ ነቲ ሚሳይል ተኲስዎ'ውን እንተኾነ\" እቲ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ዝተኻየደ መርመራ \"ኢራናውያን ሰብ መዚ ንህይወት ሰብ ሸለልትነት\" እንተዘይህልዎም ከጋጥም ኣይምኽኣለን ይብል እቲ ጸብጻብ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ካናዳ ማርክ ጋርነው፡ \"ዝኾነ ኮይኑ ኢራን ካብ ተሓታትነት ኣይተምልጥን እያ፤ ምሉእ ብምሉእ ተሓታቲት እያ\" ኢሉ። ሚሳይላት ጸረ ነፈርቲ ኢራን ኣብ ልዑል ጥንቃቐ እኳ እንተነበረ እቶም ሰብ መዚ ንክሊ ኣየራቶም ዘይምዕጻዎም ወይ በቲ ክሊ ኣየር ንዝበሩ መገዲ ኣየራት ሓበሬታ ዘይምሃቦም እቲ ጸብጻቢ ከሲሱ። ሚኒስተር ጋርነው፡ እቲ ነቲ ጸረ ነፈርቲ ዘንቀሳቕስ ሰብ \"ክእለይ ዝኽእል ዝነበረ ከቢድ ጌጋ ውሳነ እዩ ወሲዱ\" ኢሉ። ንሱ ወሲኹ፡ እዚ ሰራዊት ኢራን፡ ተመሳሳሊ ጌጋ ከይድገም ነቲ ስሕተት ኣብ ምእራም ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣዝዩ ዝተደናጎየ ምንባሩ ገሊጹ። እቲ መርመራ እኹል መረዳእታታት ስለዘይረኸበ \"ኢራን ሰፊሕን ቅንዕና ዘለዎን መግለጺ ክትህብ\" ሰብ መዚ ሓቲቶም። ሰብ መዚ ኢራን ኣብ ፈለማ ነቲ ሓደጋ ከም ዘይፈጸምዎ ብምግላጽ፡ ነቲ እታ ነፋሪት ዝተሓምሸሸትሉ ቦታ ሓለዋ ኣይገበረሉን። ጭብጥታት እናበዝሐ ምስ ከደ ግና፡ ሓይሊ ኣየራ ብጌጋ ነታ ቦይንግ 737-800 ከም ዝሃረማ ተኣሚና።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57607975"} {"headline":"ኮኾብ ተጻዋታይ ኩዕሶ ሰኪዔት ኮቢ ብርያንት ብሓደጋ ሂልኮፕተር ሞይቱ","content":"ኮኾብ ተጻዋታይ ኩዕሶ ሰኪዔት ዓለም ኣመሪካዊ ኮቢ ብራያንት ዝርከቦም ትሸዓተ ሰባት ብሓደጋ ሂልኮፕተር ሞይቶም። ካብ ሞንጎ እቶም ዝሞቱ፡ ጓል 13 ዓመት ጓሉ ጊያናን ከምዝኾነት'ውን ተፈሊጡ። እቲ ወዲ 41 ዓመት ብናይ ውልቁ ሂልኮፕተር እናተጉዓዘ፡ እታ ሂልኮፕተር ኣብ ካላብሳስ ካሊፎርንያ ከምዝወደቐትን ዝደሓነ ሰብ ከምዘየለን ፖሊስ ሎስ ኣንጀለስ ሓቢሩ ኣሎ። ሓሙሽተ ግዘ ጽዋዕ ኤንቢኤ ((NBA) ዝወሰደ ብርያንት፡ ሙሉእ ግዚኡ ምስታ ካብ 1996 ማልያኣ ወድዩ ዝጻወተላ ህብብቲ ክለብ ኤል-ኤ ሌከርስ ዝተጻወተ ኮይኑ፡ ካብቶም ኣብ ታሪኽ እቲ ስፖርት ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ ተጻወትቲ እዩ። ብሞት እቲ ተጻዋታይ ዝሓዘኑ ብዙሓት ፍሉጣት ሰባት ሓዘኖም እናገለጹ ኮይኖም፡ ኣብቲ ኣብ ስታድዮም ሎስ ኣንጀለስ ሌከርስ ዝካየድ ዘሎ ሽልማት ግራሚ ድማ ዝኽሪ ተገይሩሉ። ነቲ መድረክ እትመርሕ ድምጻዊት ኣሊሽያ ኪስ \"ሎሚ ሎስ ኣንጀለስ፣ ኣመሪካን ዓለምን ሓደ ጅግና ስለዝተፈለየና አዐሪና ሓዚንና ኣለና። ኣብቲ ኮቢ ብርያንት ዝሃነጾ ገዛ ብሓያል ሓዘን ጠጠው ኢልና ንርከብ\" ኢላ። ማሕበር ኩዕሶ ሰኪዔት ኣሜሪካ (NBA)፡ ብሞት ብርያትን ጓሉን ኣዝዩ ከምዝሓዘነ ገሊጹ ኣሎ። ብርያንት፡ ኣብ 2016 ምጽዋት ክሳብ ደው ዘብል፡ ኣብ ናይ 20 ዓመታት ናይ ኩዕሶ ሰኪዔት ዘመኑ ኣብታ ንዓበይቲ ክብርታት ዘብቅዓቶ ጋንታ ሎስ ኣንጀለስ ሌከርስ ጥራሕ እዩ ተጻዊቱ። ኮቢ ብርያንት ኣብ 2008 ዝኸበረ ተጻዋታይ ኩዕሶ ሰኪዔት ዓለምና ተባሂሉ ምሽላሙ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ክልተ ግዜ'ውን ክሳብ ናይ መወዳእታ ተወዳዳራይ 'ኤምቪፒ' ተረቚሑ እዩ። ብዘይካ'ዚ ክልተ ግዘ ተሸላሚ ብዙሕ ሸቶ፡ ክልተ ግዘ ድማ ሻምፒዮን ኦሎምፒክን ኣሳኺዑ እዩ። ኣብ 2006 ምስ 'ቶሮንቶ ራፕተርስ' ኣብ ዝነበሮም ጸወታ ዘመዝገቦ 81 ነጥቢታት ድማ፡ ኣብ ታሪኽ ኩዕሶ ሰኪዔት 'ኤንቢኤ' እቲ ካልኣይ ዝላለ ኣብ ሓደ ጸዋታ ዝተመዝገበ ነጥቢ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ 2018 ድማ ብዘፈር ሓጺር ተንቀሳቓሲ ፊልም፡ ተዓዋቲ ኦስካር ኮይኑ እዩ። ብርያንትን በዓልቲ ቤቱ ቫኒሳን፡ ናታልያ፣ ብያንካን ካፕሪን ዝበሃላ ካልኦት ሰለስተ ቆልዑ ኣለወኦም። ሓቢሮምዎ ዝተጻወቱ ኦኔልን ዶረን ዊልያምን፣ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፣ ዩስያን ቦልትን ካናዬ ዌስትን ሓዊሱ ብዙሓት ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲ ዝፍለጡ ሰባት ዝተሰመኦም ሓዘን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይገልጹ ኣለው።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51260569"} {"headline":"ኣመሪካ፡ ናብ ኵባ ዝግብር በረራታት ደው ከምዘበለቶ ኣፍሊጣ","content":"ምምሕዳር ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ቁጠባ ኲባ ጸቅጢ ንምፋጣር ኣብ ሞንጎ ሃገሩን ኵባን ዝግበር በረራታት ደው ክብል ኣዚዙ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፕዮ “መንግስቲ ሃቫና ካብ ቱሪዝምን መጓዓዝያን ዝረኽቦ ኣታዊታት ኣብ ቬነንዝዌላ ምትእትታው ንኽገብር ይሕግዞ’ሎ” ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ መንግስቲ ኣሜሪካ ብጀካ ናብ ሃቫና ናብ ካልኦት ከተማታት ኵባ ዝግበር በራራታት ደው ክብል ውሳነ ብምሕላፍ ኣብ ተግባር ኣውዒልዎ ጸኒሑ’ዩ። ኵባ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ቱሪዝም ትረኽቦ ዝነበረት ኣታዊታት ብኸቢድ ተሃስዩ’ዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ ኵባን መሻርኽታ ዝኾነት ቬነንዝዌላን ዝውሰንን ዝትግበርን ዘሎ ተሪር ፖሊሲታት ኣመሪካ በቶም ኣብ ፍሎሪዳ ዝርከቡ ዓቃባውያን ኵባውያን ኣመሪካውያን ዓቢ ደገፍ ረኺቡ ኣሎ። ግዝኣት ፍሎሪዳ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝኻየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዓወት ከመዝግበላ ትጽቢት ዝግበረላ ግዝኣት’ያ። ኣመሪካ ዋላ እኳ ካብ ሃገራ ናብ ኵ ዝግበር በረራታት ደው ክብል ትወስን፡ ሕክምናዊ ንዋት ዝጽዓና ነፈርቲ፤ ንዳህሳስን ዝጠፍኡ ሰባት ንምርካብን ኣብ ምድላይ ዝነጥፋ ነፈርቲ ግን ክበራ ክፍቀደን’ዩ። ኣብ ሞንጎ ኣመሪካን ኵባን ንልዕሊ 50 ዓመታት ደው ኢሉ ዝነበረ ምንቅስቃስ ነፈርቲ ኣብ ነሓሰ 2016 እዩ ዳግማይ ጀሚሩ። እንተኾነ ኣብ እዋን መሪሕነት ዶናልድ ትራምፕ እቲ ኣብ እዋን መሪሕነት ባራክ ኦባማ ተስፋ ዘሪኡ ዝነበረ ዲፕሎማስያዊ ርከባት እዘን ሃገራት እናሓርፈፈ ክመጽእ ጸኒሑ’ዩ። ኣብ ወርሒ ግንቦት ክፍሊ መጓዓዝያ ኣሜሪካ ናብ ኵባ ዝግበር በረራታት ኣብ ዓመት ካብ 3600 በራራታት ከይሓልፍ ዘገድድ ውሳነ ኣሕሊፉ ምንባሩ ይዝከር።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53776617"} {"headline":"ኣዛዚ ሰራዊት ታይዋን ብሓደጋ ነፋሪት ሞይቱ","content":"ላዕለዋይ ወታሃደራዊ ኣዛዚ ሰራዊት ታይዋን ኣብ ናይ ሄለኮፕተር ሓደጋ ከም ዝተቐትለ ሰብስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም። ካልኦት 8 ኣብታ ሄለኮፕተር ዝነበሩ ሰባት'ውን ኣብቲ ሓደጋ ከም ዝተቐትሉ ተፈሊጡ። ጀነራል ሸን ዪ፡ ምስ ካልኦት 12 ሰባት ኣብ ሓንቲ 'ብላክ ሃውክ' ዝዓይነታ ሄለኮፕተር እናበረሩ እንከለው፡ ኣብ ጥቓ ርእሰከተማ ታይፐይ ተሓምሽሻ። ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ሕማቕ ኩነታት ኣየር ምዃኑ ጸብጻባት ሓቢሮም። እቲ ጀነራል፡ ናብቲ ኣብ ሰሜናዊ-ምብራቕ ዝርከብ ወታሃደራዊ መዓስከር'ዩ ዝጓዓዝ ነይሩ። ሓይሊ ኣየር ታይዋን፡ ክልተ ብላክ ሃውክ ሄለኮፕተራትን ኣስታት 80 ወታሃደራትን ናብቲ ቦታ ሓደጋ ከም ዝሰደደ ኣገልግሎት ዜና ታይዋን ኣፍሊጡ። እታ ካብቲ ኣብ ጥቓ ርእሰከተማ ዝርከብ ወታሃደራዊ መዓስከር ሶንግሻን ዝተበገሰት ሄሊኮፕተር፡ ብሰንኪ'ቲ ዘጋጠማ ኩታት ብህጹጽ ክትዓልብ ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን'ያ፡ ኣብ ሓደ ጎቦታት ዝበዝሖ ከባቢ ተሓምሺሻ። ህይወት ናይቶም ተሳፈርታ ንምድሓን ዝተገብረ ጻዕሪ ብሰንኪ'ቲ ኩነታት ኣየርን፡ ዝወደቐትሉ ቦታን ምድንጓዩ'ውን ተገሊጹ። ታይዋን፡ ኣብ 1949 ካብ ቻይና ድሕሪ ምንጻላ፡ ርእሳ ኪኢላ'ያ ትመሓደር። ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ሃገራት ከም ሃገር ኣይፈልጣኣን'የን። ቻይና፡ ንታይዋን፡ ሓንቲ ካብ ኣውራጃታታ ጌራ'ያ ትርእያ። \"ሓንቲ ሃገር፡ ክልተ ስርዓታት\" ብዝብል መትከል ድማ፡ በቲ ዘላቶ ክትቅጽል ኣፍቂዳትላ'ያ። ታይዋን፡ ካብታ ብማሕበርነታዊ ሰልፊ (ኮሚኒስት ፓርቲ) እትመሓደር ቻይና፡ እትፍለየሉ ቀንዲ ነገር ፖለቲካዊ ብዙሕነታን፡ ዘለዋ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ስርዓትን'ዩ።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50974810"} {"headline":"ኢራን፡ \"ንነፋሪት ዩክሬን ኢራን 'ያ ብጌጋ ሃሪማታ\" ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ","content":"እታ ብሮቡዕ 176 ገያሾ ሒዛ ኣብ ኢራን ዝወደቐት ብዩክረይን እትውነን ናይ ህዝቢ ነፋሪት፡ ኢራን ብጌጋ ከምዝሃረመታ ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ገሊጸን። ማዕከን ዜና ሲቢኤስ፡ ሰብ-መዚ ኣሜሪካ ነታ ቦይንግ 737-800 ዝዓይነታ ነፋሪት ብሚሳይል ኢራን ተሃሪማ ኢሎም ከምዝኣምኑ ጠቒሱ። ዩክሬን እውን ኣቐድም ኣቢላ እታ ነፋሪት ብሚሳኤል ኢራን ተሃሪማ ከይትኸውን ክተጻርይ ምዃኑ እኳ እንተሓበረት፡ ኢራን ግን እታ ነፋሪት ብሚሳይል ከምዘይተሃረመት እያ ገሊጻትላ። እታ ነፋሪት፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ኣብ ዒራቕ ዝርከብ መዓስከር ወተሃደራት ኣሜሪካ ደብዳብ ድሕሪ ምኽያዳ ድሕሪ ሰዓታት'ያ ወዲቓ። ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ሰብ-መዚ ስለያ ኣሜሪካ ብምጥቃስ ኣብ ናይ ራዳር ምስሊ፡ ናይ ክልተ ሚሳይል ሓጺር ድምጺ ድሕሪ ምስትብሃሉ ከይደንጎየ ናይ ምፍንጃር ድምጺ ከምዝተሰምዐ ይጠቅስ። ድሕሪ እዚ ኒውስዊክ እውን፡ ናይ ፔንታጎንን ላዕለዎት ሰብ-መዚ ስለያ ኣሜሪካን ዒራቕን ብምጥቃስ፡ እታ ነፋሪት ኣብ ሩስያ ብዝተሰርሐ ሚሳይል ከምዝተሃርመት ኣብ ጽሑፉ ኣስፊሩ። ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ እውን \"ጥርጣረ ኣለኒ፡ እዛ ነፋሪት ብጌጋ እያ ተሃሪማ\" ኢሉ።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51055852"} {"headline":"ሓደጋ ነፋሪት፡ ኣብ ክልተ ዝተመቕለት ነፋሪት ህንዲ ብውሕዱ 18 ቀቲላ","content":"ኣብ ህንዲ ሓንቲ ነፋሪት ክትዓልብ ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን ብምሕምሻሻ ብውሕዱ 18 ሰባት ሞይቶም። እታ ካብ ዱባይ ናብ ክፍለሃገር ኬራላ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት፡ ኣብቲ ኣብ ከተማ ካሊካት ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ክትዓልብ ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን፡ ሸተት ኢላ ካብ ማዕልቦኣ ከም ዝወጸት ሰብመዚ ኣቬሽን ሓቢሮም። እታ ቦይንግ 737 ዝዓይነታ ነፋተት፡ መንገዲ ኣየር ህንዲ፡ ኣብ ዱባይ ሓዲግ ዝተረፉ ህንዳውያን ተጓዓዝቲ ሒዛ ዝነበረት እያ። ቀዳማይ ሚኒስተር ናረንድራ ሞዲ፡ “ብሓደጋ ናይታ ነፋሪት” ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ። ኣባል ፓርላማ ካብ ካሊካት ዝኾነ ኤም-ከይ ራግሃቫን፡ ኣብቲ ሓደጋ 18 ሰባት ከምዝሞቱ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ካልኦት ቆሲሎም ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱ ሰብመዚ ሓቢሮም ኣለዉ። መብዛሕትኦም ከቢድ ጉድኣት ዝወረዶም’ ብውሕዱ 89 ሰባት ኣብ ዝተፈላለያ ሆስፒታላት ኣትዮም ኣለዉ። ኣምቡላንሳት ከኣ ምምጻእ ኣየቋረጻን” ክብል ሓደ ሱጂህ ዳስ ዝተባህለ ላዕለዋይ ኣዛዚ ፖሊስ ንኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ተዛሪቡ። እቲ መንገዲ ኣየር ከምዝገለጾ፡ እታ ነፋሪት 10 ቆልዑ ዝርከብዎም 184 ተጓዓዝቲን 7 ኣባላትን ሒዛ ነይራ። እታ ነፋሪት ኣብ እትዓልበሉ ዝነበረት እዋን፡ ከቢድ ዝናብ ዝተሓወሶ ህቦብላ ሞንሱን ከም ዝነበረ ጸብጻባት ካብቲ ቦታ ገሊጾም። ቤት ጽሕፈት መርመራ ሓደጋ ኣየር ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ንምፍላጥ ወግዓዊ ምጽራይ ከካይድ ምዃኑ ሚኒስተር ሲቪል ኣቭየሽን ሃርዲፕ ሲንግ ፑሪ ኣፍሊጡ። እታ ነፋሪት ኣቐዲማ ክልተ ግዜ ክትዓልብ ፈቲና ምንባራን፡ ንሓያሎ ግዜ ኣብ ዙርያ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ክትዘወር ከምዝተራእየትን ማዕከናት ዜና ህንዲ ኣቃሊሐን። ኣብቲ ክፍለሃገር ዝሃርም ዘሎ ህቦብላ ዝተሓወሶ ከቢድ ዝናብ፡ ሂወት ብዙሓት ቀቲሉ ክኸውን ከም ዝኽእል’ዩ ዝፍራህ ዘሎ።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53702912"} {"headline":"ሓደጋ ዘንጸላለዋ ነፋሪት፡ ነዳዲኣ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ትምህርቲ ሎስኣንጀለስ ክዕያቶ","content":"ብህጹጽ ኣብ ዓለምለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ሎስ ኣንጀለስ ክትዓልብ ዝተገደደት ነፋሪት መጓዓዝያ፡ ነዳዲኣ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ትምህርቲ ክዕያቶ። ዝበዝሑ ህጻናት ዝርከብዎም ብውሕድ 60 ሰባት ድማ ብዘጋጠሞም ምቑሳል ቆርበትን ጸገም ምስትንፋስን ኣገልግሎት ሕክምና ክረኽቡ ከምዝተገበረ ተፈሊጡ። ብህጹጽ ክትዓልብ ዝተገደደት ነፋሪት ነዳዲኣ ክትኽዕው (ክተፍስሶ) ትኽእል'ኳ እንተኾነት፡ እዚ ክትገብር ግን ኣብ ዝተመረጹ ቦታታትን ኣብ ዝለዓለ ብራኸ ክትኸውን ከምዘለዋን ሕጊ ኣቪየሽን የመልክት። ነፋሪት መገዲ ኣየር ደልታ ኣብ ሞተረ ብዘጋጠማ ጸገም'ያ ናብ ዓለምለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ሎስ ኣንጀለስ ክትምለስ ተገዲዳ። በቲ ዝተደፍአ ነዳዲ ጉድኣት ዝበጽሖም ህጻናትን ዓበይትን ኣብ ሽድሽተ ኣብያተ ትምህርቲ ዝነበሩ እዮም። ዝበጽሖም መጉዳእቲ ቀሊል ከምዝኾነ'ውን ተገሊጹ'ሎ። ከንቲባ ናይታ ኣብ ደቡብ ምብራቕ ሎስኣንጀለስ እትርከብ ከተማ ኩዳሂይ ኤልዛቤት ኣልካንትራ \"ብጣዕሚ'የ ሰንቢደ። እዚ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ እዩ፤ ኩሎም ድማ ህጻናት እዮም\" ኢላ። እታ ነፋሪቱ ክብደት ንምንካይ ነቲ ነዳዲ ከምዝኸዓወት፡ መገዲ ኣየር ደልታ፡ ኣረጋጊጹ።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51116885"} {"headline":"ኣብ 2019፡ ብምውዳቕ ነፈርቲ ዘጋጥም ሓደጋ ሞት ብ50 ሚኢታዊት ነከዩ","content":"ኣብ ዓለም ቁጽሪ ብሓደጋ ምሕምሻሽ ነፈርቲ መጓዓዝያ ዝሞቱ ሰባት ኣብ 2019 ብልዕሊ 50 ሚኢታዊት ከምዝነከየ ተገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 257 ሞት ዝተመዝገቡ ኮይኖም፡ ኣብ 2018 ድማ 534 ኣጋጢሙ ምንባሩ ኣብ ኣቪየሽን ግልጋሎት ምኽሪ ዝህብ ቱ70 [To70] ዝተበሃለ ኔዘርላንዳዊ ትካል ብንጽጽር ኣቐሚጡ። ኣገልግሎት መጓዓዝያ ኣየር ብዝለዓለ መጠንን ብቕልጡፍን ይውስኽ ኣብ ዘለሉ እዋን'ዩ እዚ ምንካይ ሓደጋታት ዝተመዝገበ። ብ2019 ኣብ 86 ነፈርቲ ሓደጋ ከጋጥም ከሎ እቶም ሸሞንተ ኣዝዮም ዝኸፍኡ ሓደጋታት ነይሮም። በዚ ምኽንያት ድማ 257 ሞት ኣጋጢሙ። ሓደጋ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቁጽሪ በረራ 302 ዘኸተሎ ሞት 157 ተጓዓዝቲ፡ ነቲ ኣብ ዓለምና ብሓደጋ ነፈርቲ ዘጋጠመ ሞት ብልዕሊ ፍርቂ ይሽፍን። እቲ ትካል ዘውጽኦ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ ካብ ሞንጎ 5.58 ሚልዮን በረራታት፡ ኣብ ሓንቲ ዓበይ ነፋሪት መጓዓዝያ ሓደጋ የጋጥም ነይሩ። ሓደጋታት ብምክትታል ዝፍለጥ ዌብሳይት መርበብ ድሕነት ነፈርቲ (ኣቪየሽን ሴፍቲ ኔትወርክ) ብወገኑ ዝሓለፈ ዓመት \"ድሕነት ነፈርቲ መጓዓዝያ ካብ ዝተሓለወሎም ዓመታት\" ክብል ገሊጹ። ኣብ 2018 ኣስታት 160 ሓደጋታት ዘጋጠሙ ኮይኖም እቶም 13 ኣዝዮም ከበድቲ ነይሮም፤ 534 ሰባት ድማ ሞይቶም። ብቁጽሪ ሓደጋታት ዝሓሸ ወይ ድሕነቱ ዝሓለወ ዓመት ተባሂሉ ዝተመዝገበ ዓመት 2017 እዩ። ኣብቲ ዓመት ዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ ምሕምሻሽ ነፋሪት መጓዓዝያ [ንግዳዊ ነፈርቲ] ኣይነበረን። ኣብ ክልተ ነኣሽቱ ነፈርቲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ግን 13 ሰባት ሞይቶም'ዮም። ኣብዚ መጽናዕቲ ዝተኻተታ ነፈርቲ ብደረጃ ዓለም ዝንቀሳቐሳ ንግዳዊ ወይ ብዙሓት ዝጥቀሙለን ነፈርቲ መጓዓዝያ እየን። ኣብ ነኣሽቱን ብቐዋምነት ንቐወምቲ ሰባት ካብን ናብን ዘመላልሳን ነፈርቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣብዚ መጽናዕቲ ኣይተቖጸረን። ወተሃደራዊ፣ ንስልጠና ዝግበሩ፣ ብውልቀ ዝካየዱ፣ ናይ ጽዕነት በረራታትን ሄሊኮፕተራት'ውን በዚ መጽናዕቲ ኣይተዳህሰሳን። ኣብ ነፋሪት ቦይንግ ማክስ 737 ሓደጋ ካብ ዘጋጥም ንደሓር ኣብ ዓመት 2019 ጥቡቕ ክትትል ድሕነት ተጓዓዝቲ ኣየር ክካየድ ክኢሉ።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50969828"} {"headline":"ሱዳን፡ ኣብ ምዕራባዊ ዳርፉር ብዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት ህጻናት ዝርከቡዎም 18 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ሱዳን፡ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር ብዘጋጠመ ምሕምሻሽ ወታሃደራዊት ነፋሪት 4 ህጻናት ዝርከቡዎም 18 ሰባት ሞይቶም። እታ ካብ ርእሰ ከተማ እቲ ዞባ ኤል ጀነይና ምስተልዓለት ድሕሪ ሓሙሽተ ደቓይቕ ዝወደቐት ነፋሪት፡ ናብቶም ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ሓያል ዓሌታዊ ጎንጺ ዝተኻየደሎም ከባቢታት ሓገዝ ኣብ ምጉዕዓዝ እያ ነይራ። ኣብታ ነፋሪት ሸውዓተ ሰራሕተኛታት በረራ፣ ሰላስተ ዳያኑን ኣርባዕተ ህጻናት ዝርከቡዎም ሸሞንተ ስቪላትን ዝነበሩ ኮይኑ፡ መንቀሊ እቲ ሓደጋ ከምዘይተፈለጠ ወታሃደራዊ ወሃቢ ቃል መሓመድ ኣልሓሰን ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ። ኣብዚ ሰሙን፡ ኣብ ምዕራባዊ ዳርፉር ብዝተወለዐ ጎንጺ ብውሑድ 48 ሰባት ከምዝተቐተሉን 241 ከም ዝቖሰሉን ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ሱዳን ገሊጹ። እቲ ጎንጺ፡ ሓደ ዓረባዊ መበቆል ዘለዎ ሰብ ኣብ ዕዳጋ ድሕሪ ምቕታሉ ከም ዝተወለዐ እቶም ሰበስልጣን ተዛሪቦም። ድሕሪ'ዚ ድማ፡ ዓረብ ሚሊሽያ ንተወልድቲ ብሄረ ማሳሊት ብምጥቃዕ፡ ኣባይቶም ከም ዘቃጸሉን ንብረቶም ከም ዝዘመቱን ተፈሊጡ። ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ግጭት ዳግም ምውልዑ ድማ ነቲ ኩነታት ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍትሑ ዘሎ ዕድል ከጸልምቶ ይኽእል'ዩ ተባሂሉ ይስጋእ። ኣብ መንጎ መንግስትን ናይቲ ዞባ ተቓወምትን ክግበር ዝጸንሐ ዝርርብ ተወንዚፉ ከም ዘሎ ተረጋጊጹ።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50984493"} {"headline":"ካናዳውያን ስድራ-ቤት ግዳያት ሓደጋ ነፋሪት ዩክሬን፡ ካሕሳ ክወሃቡ እዮም","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ከናዳ ጀስቲን ትሩዶ፡ ንካናዳውያን ስድራ-ቤት ግዳያት እታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝተተኮሳ ሚሳይል ተሃሪማ ዝተሓምምሸት ነፋሪት ዩክሬን፡ ካሕሳ ከምዝኸፍል ኣፍሊጡ። እቲ ገንዘባዊ ሓገዝ፡ ንስደራ-ቤት እቶም ግዳያት ኣብ ዝገብርዎ ጉዕዞን ምስኡ ዝተታሕዘ ወጻኢታት ኣብ ምሽፋን ክሕግዞም፡ ዝተወጠነ ምዃኑ ተገሊጹ። ጀስቲን ትሩዶ፡ እቶም ስድራ-ቤት 19,200 ዶላር ከምዝወሃቦም ምዃኑ ኣመልኪቱ። ሓይልታት እስላማዊ ሰውራ ኢራን፡ ነታ 176 ተሳፈርቲ ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ብጌጋ ብምህራሞም፡ እታ ነፋሪት ኣብ ሰማይ እንከላ ከም እተባረዐትን፡ እቶም ተሳፈርቲ ብምሉኦም ከምዝሞቱን ይፍለጥ። ካብቶም ዝሞቱ ድማ 57 ዜጋጋት ካናዳን ካልኦት 29 ቀዋሚ መንበሪ ካናዳ ዝሓቱ ሰባት ነይሮም። ብተወሳኺ፡ ኢራን ንስድራ እቶም ግዳያት ገንዘባዊ ካሕሳ ከምትገበረሎም ትጽቢት ከምዘለዎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጀስቲን ትሩዶ ገሊጹ። ንሱ ስድራ-ቤት እቶም ግዳያት፡ ሬሳ ስድራቤቶም ንካናዳ ክምለስ ከምዝሓተቱን፡ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ሬሳታት እቶም ግዳያት ንካናዳ ክምለስ ከምዝጅምር ሓቢሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጀስቲን ትሩዶ፡ ንኢራን ነቲ መአከቢ መኽዘን ሓበሬታ (ብላክ ቦክስ) ናይታ ዝወደቐት ነፋሪት ንፈረንሳ ክተረክቦ ከምዝሓተተን፡ እቲ ሓበሬታ ብቕልጡፍ ተመርሚሩ እቲ ጉዳይ መዕለቢ ክግበረሉን ጸዊዑ። እታ ነፋሪት፡ ካብ ከተማ ቴህራን ምስ በረረት ድሕሪ ቍሩብ ደቓይቕ ብዝተተኮሳ ሚሳይል ተወቒዓ ከምዝወደቐት ይፍለጥ። ኣብ መጀመርታ መራሕቲ ኢራን፡ እታ ነፋሪት ብቴክኒካዊ ጸጋማት ከምዝወደቐት ከምዝሓበሩን፡ እንተኾነ ግን ካብ ምዕራባውያን፡ እታ ነፋሪት ካብ ኢራን ብዝተተኰሰ ሚሳይል ከም ዝተሃርመት ዘረድእ ጭብጥታት ምስረኸቡ፡ ኢራን ነታ ነፋሪት ብጌጋ ከምዝሃረመታ ተኣሚና። እታ ነፋሪት ዝወደቐትሉ እዋን፡ ኢራን ኣብ ዒራቕ ንዝነበረ መደበራት ኣሜሪካ ብሚሳይላት ዘጥቀዓትሉ ሰዓታት እዩ ነይሩ። ኢራን ነቲ ኢራናውያን ዝኣከቡዎ መአከቢ መኽዘን ሓበሬታ፡ ናብ ካልእ ሃገር ኣሕሊፎም ከምዘይህቡን፡ ክኢላታት ቦይንግ ኣብቲ ዝካየድ ምርመራ ክሳተፉ ዓዲማ'ላ።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51160508"} {"headline":"ኣብ እግሪ ጎማ ነፋሪት ተሓቢኡ ናብ ፈረንሳ ዝተጓዓዘ ኣፍሪቃዊ ቆልዓ ሞይቱ ተረኺቡ","content":"ካብ ኣቢጃ ናብ ፓሪስ ትጓዓዝ ኣብ ዝነበረት ነፋሪት ጎማ ዝተሓብአ ወዲ 10 ዓመት ቆልዓ እታ ነፋሪት ምስዓለበት ሞይቱ ተረኺቡ። መገዲ ኣየር ፈረንሳ ከምዝሓበሮ \"ኣስከሬን ናይቲ ተሓቢኡ ይጓዓዝ ዝነበረ ቆልዓ\" ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቻርለስ ዴ ጉለ እዩ ተረኺቡ። ጎማ ናይታ ነፈርቲ ተዓጺፉ ኣብ ዝኣትወሉ ክፍሊ ነፋሪት ከምዝተረኸበ'ውን ኣፍሊጡ። ኣብቲ ጉዳይ ድማ ምጽራይ ይካየድ ኣሎ። ኤይር ፍራንስ ብትዊተር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ \"እቲ መገዲ በቲ ዝተፈጠረ ዘሕዝን ኩነታት፡ ሓዘኑን ስንባድኡን ይገልጽ\" ኢሉ። እቲ ቆልዓ ኣፍሪቃዊ ከምዝኾነ ተረጋጊጹ'ሎ። ሰሉስ ምሸት ካብ ኣቢጃን-ኣይቮሪኮስት ዝተበገሰት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኤይር ፍራንስ፡ ትማሊ ረቡዕ'ያ ናብ ፓሪስ-ፈረንሳ ኣትያ። ኤኤፍፒ ካብ ድሕነት ኣይቮሪኮስት ዝረኸቦ ምንጪ \"ካብቲ ዘጋጠመ ዘሕዝን ክስተት ብተወሳኺ፡ ኣብ ውሕስነት መዕርፎ ነፈርቲ ዓብዪ ክፍተት ከምዘሎ ዘርእይ እዩ\" ምባሉ ጸብጺቡ።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51045367"} {"headline":"ብዓልቲ ቤት ኮቢ ብርያንት፡ 'ንጓሂና ክገልጹ ዝኽእሉ ቃላት የለዉን'","content":"ሰብኣያ ብሞት ዝተፈለያ ቫነሳ፡ ድሕሪ'ቲ ህይወት፡ ኮኾብ ተጻዋታይ ኩዕሶ ሰኪዔት ዝነበረ በዓል ቤታን፡ ጓሎምን ከምኡውን ካልኦት ሸውዓተ ሰባትን ዘጥፈአ ምውዳቕ ሄሊኮፕተር፡ ንፈለማ እዋን ዝተሰምዓ ሓዘን ኣካፊላ። ንሳ፤ ኣብ ኢንስታግራም ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ \"ተዘሚተ'የ. . . ንጓሂና ክገልጹ ዝኽእሉ ቃላት የለዉን\" ክትብል ዝተሰምዓ መሪር ሓዘን ገሊጻ። እቶም ሰብ ሓዳር፡ ነታ ኣብቲ ሓደጋ ግዳይ ዝኾነት 13 ዓመት ዝዕድሚኣ ጓሎም ጊያና ወሲኽካ፡ ኣርባዕተ ኣዋልድ ይርከበኦም። ንስነ-ስርዓት ቀብሪ ብዝምልከት ግን ዛጊት ዝተፈልጠ ነገር የልን። ጠንቂ ናይቲ፡ ኣብቲ ብግመ ዝተሸፈነ ኩነታት ኣየር ጎቦታት ምዕራብ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ዘጋጠመ ምሕምሻሽ ናይታ ሄሊኮፕተር፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ መርመራ ይርከብ። ብርያንት፡ ጓሉ ንእትርከበላ ጋንታ ኩዕሶ ሰኪዐት መንእሰያት ከሰልጥን እዩ ዝኸይድ ነይሩ። ኣብቲ ሓበሬታ፡ ቫነሳ ደጊማ \"ብሃንደበታዊ ሞት ፈቃር በዓል ቤተይ ኮቢ - ዘደንቖ ኣቦ ደቅናን፡ ምጭውትን፡ ምቅርትን ፡ ፈቃር፡ በላሕን፡ ብጣዕሚ እተገርምን ጓለይን፡ ሓፍተን ንናታልያ፤ ቢያንካን፡ ካፕሪን ዝኾነት ጊያናን መሪር ሓዘን ተሰሚዑና'ሎ\" ኢላ። ኣስዒባ'ውን፡ \"ኣብዚ ምሳና ንዘለኣለም እንዘህልዉልና'ዩ ትምኒትና ፤ እቶም ጽቡቓት በረኸት ገዛና ብቅጽበት ተወሲዶምና። ካብ ሕጂ ንደሓር ህይወትና እንታይ ከም ዝመስል ኣይፈልጥን፡ ብዘይ ብእኦም ምንባር ክግምቶ ኣጸጋሚ እዩ\" ክትብል ጽሒፋ። ንሳ ነቶም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሓዘኖም ዝለጹላን ተኻፈልቲ ሓዘናን ዝኾኑ ድሕሪ ምምስጋን፡ ነቶም ብምውዳቕ እታ ሄሊኮፕተር ዝተጸልዉ ስድራቤታትን፡ ካልኦት ኣባላት እታ ጋንታ ኩዕሶ ሰኪዐት ንምሕጋዝ፡ ጻውዒት ኣቕሪባ። ኣብራሪ እታ ሄሊኮፕተርን፡ ክልተ 13 ዓመት ዝዕደሚአን ኣብቲ ውድድር ክሳተፋ ዝነበረን ኣዋልድ፡ ሰለስተ ወለዶምን፡ ሓደ ካልእ ኣሰልጣንን ኣብቲ ሓደጋ ሞይቶም ኣለዉ። ብርያንት ንጋንትኡ ሎስ ኣንጀለስ ሌከርስ፡ ሓሙሽተ ግዜ ተዓዋቲት ኤንቢኤን፡ ክልተ ግዜ ተሸላሚ ወርቂ መዳልያ ኦሊምፒክ ዝነበረ'ዩ። ምስታ ጋንታ ን20 ዓመታት ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ሚያዝያ 2016'ዩ ጥሮታ ወጺኡ። ኣብቲ ብረቡዕ ዝተኻየደ ዝኽሪ፡ ጋንትኡ ሌከርስ፡ \"ልዕሊ ተጻዋታይ ኩዕሶ ሰኪዔት\" ብምባል ገሊጻቶ። \"ኮበ ንሎስ ኣንጀለስ ሌከርስ፡ ደገፍትናን፡ ከተማናን እንታይ ዓይነት ሰብ ከም ዝነበረ፡ ቃላት ኣይገልጾን እዩ። ልዕሊ ተጻዋታይ ኩዕሶ ሰኪዔት፡ ፈቃር ኣቦን፡ በዓል ቤትን፡ ወዲ ጋንታን እዩ ነይሩ። ፍቕሮምን ብርሃኖምን ንዘለኣለም ኣብ ልብና ክተርፍ እዩ\"።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51311928"} {"headline":"ካዛኪስታን፡ 98 ተሳፈርቲ ሒዛ እትጎዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ወዲቓ","content":"ኣብ ካዛኪስታ፡ 98 ተሳፈርቲ ጽዒና እትጎዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ብምውዳቓ፡ ብውሑዱ 14 ሰባት ከም ዝሞቱ ሰብመዚ'ታ ሃገር ሓቢሮም። እታ ንብረት መገዲ-ኣየር 'በክ' ዝኾነት ነፋሪት፡ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣልማቲ ምስተገበሰት ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ወዲቓ ተሓምሺሻ። ሮይተርስ ከምዝሓበሮ፡ እታ ነፋሪት ክትበርር እንከላ፡ እቲ ከባቢ ብግመ ተሸፊኑ ከምዝነበረ ገሊጹ። ሰብ-መዚ እቲ መዕረፎ ነፈርቲ፡ ዝደሓኑ ሰባት ከምዘለው ገሊጾም። እታ ነፋሪት ካብ ከተማ ኣልማቲ ተበጊሳ፤ ናብ ናብ ርእስ-ከተማ ካዛኪስታን ኑር-ሱልጣን ክትበርር ምስተበገሰት እያ ተሓምሺሻ። ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ እንታይ ምዃኑ ክሳብ ሕጂ ኣይተገልጸን። ሰብ-መዚ እቲ መዕረፎ ነፈርቲ፡ እታ ነፋሪት 93 ተሳፈርትን 5 ሰራሕተኛታትን ሒዛ ከምዝነበረት ገሊጾም። ህጻናት ሓዊሱ፡ ብውሕዱ 60 ሰባት ጉድኣት ከምዝበጽሖም ተገሊጹ'ሎ። እታ ነፋሪት ኣብ ልዕሊ ክልተ ደርቢ ዘለዎ ህንጻ እያ ወዲቓ። ድሕሪ እቲ ሓደጋ፡ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ የለን። ኣባላት ስርሒት ህይወት ኣድሕን'ታ ሃገር ኣብቲ ከባቢ ከምዘለውን፡ ነቶም ዝደሓኑ ሰባት ናብ ውሑስ ቦታን ሆስፒታላትን ይወስድዎም ምህላዎም ተገሊጹ። ፕረዚደንት ካዛኪስታን ቛስም-ጆመራት፡ ንስድራ-ቤት እቶም ግዳያት ጽንዓት ይሃብኩም ድሕሪ ምባል፡ እቶም ነዚ ሓደጋ ከጋጥም ዝገበሩ ብሕጊ ከምዝሕተቱ ኣመልኪቱ። ኣብ ካዛኪስታን እዚ ናይ መጀመርያ ዝጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት ኣይኮነን። ኣብ ጥሪ 2013፡ ብሓደጋ ነፋሪት ኣስታት 20 ሰባት ከምዝሞቱ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ'ውን፡ ሓንቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ ተሰኪማ ዝነበረት ወተሃደራዊት ነፋሪት ብምሕምሻሻ፡ 27 ሰባት ከምዝሞቱ ይፍለጥ።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50922694"} {"headline":"ቦይንግ ምስ ሓደጋ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዝተኣሳሰር ተኸሲሱ","content":"ቤተሰብ ናይ ሓደ ግዳይ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ንኩባንያ መፍረ ነፈርቲ ቦይንግ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ቤት ፍርዲ ፈደራል ክሲ መስሪትሉ። ስድራቤት ርዋንዳዊ ግዳይ ጃክሰን ሙሶኒ ኣብ ዘቕረቦ ክሲ እታ ዝወደቐት ቦይንግ 737 ማክስ ዝዓይነታ ነፋሪት፡ ኣብ ስርዓት መቆጻጸሪኣ ናይ ዲዛይን ጸገም ከም ዝነበራ ኣመልኪቶም። ኩባንያ መፍረ ነፈርቲ ቦይንግ ብዛዕባ'ቲ ክሲ ዛጊት ዝሃቦ ምላሽ የለን። እቲ ኩባንያ ምስቲ ሓደጋ ምትሕሓዝ ከም ዘለዎ ዝንገረሉ ስርዓት መቆጻጻሪ'ታ ነፋሪት ከም ዘመሓየሾ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣፍሊጡ ኢዩ። ጉጅለ መርመርቲ ምኽንያት ናይቲ ሓደጋ ንምፍላጥ ገና ኣብ መርመራ ኢዮም ዘለዉ። ይኹን እንበር ኣፈናዊ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ ሓደ ካብቶም ዝተገጥሙላ ሶፍትዌራት ባዕሉ ከም ዝተወለዐ መርመርቲ ኣረጋጊጾም ክብል ዎል ስትሪት ጆርናል ዝተባህለ ፍሉጥ ኣመሪካዊ ጋዜጣ ገሊጹ። ብብዙሓት ሃገራት: መንገዲ ኣየራትን ኩባንያ ቦይንግን እተን 737 ማክስ 8 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውሕስነተን ክሳብ ዝረጋገጽ ካብ በረራ ተኣጊደን ይርከባ። እቲ ጋዜጣ ኣስማቶም ዘይተገለጸ ምንጭታት ጠቒሱ ከም ዝጸብጸቦ፡ እቲ ውጽኢት ብሓሙስ ንበዓል መዚ ኣቭየሽን ኣሜሪካ መግለጺ ኣብ ዝተዋህበሉ እዋን ከም ዝቐረበ ይገልጽ።ኣብዚ ጉዳይ ቦይንግ መልሲ እንተለዎ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ዝግበር መርመራ ቅድሚ ምዝዛሙ ዝኾነ ርእይቶ ከም ዘይህብ ገሊጹ። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፡ ሚኒስትሪ መጉዓዝያ ኢትዮጵያ 'ዎል ስትሪት ጆርናል' ዘውጽኦ ጸብጻብ ከም ዝርኣዮን ምላሽ ክህብ ምዃኑን ገሊጹ።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-47755455"} {"headline":"ኣሜሪካ፡ መርከብ ታይታኒክ ዝረኸበ ሰብ ንኤሜሊያ ኢርሃርት ክረኽባ'ዶ ይኸውን?","content":"ኤሜሊያ ኢርሃርት፡ እንታይ'ዩ ገጢሙዋ? ኣበይ'ያ ጠፊኣ? ዝብሉ ሕቶታት ንዓሰርታት ዓመታት ምናባዊ ኮይኖም መጺኦምን ኣለው። ብ1937፡ ኣሜሪካዊት ኣብራሪት ነፋሪት ኤሜሊያ ኢርሃርት፡ ዓለም ክትዘውር ክትበርር ምስ ፈተነት፡ ርጋጻ ዝሕብር ምልክት ኣይገደፈትን። ሕዚ፡ ሒዛታ ጠፊኣ እትብሃል ነፋሪትን ቅሪታን ንምርካብ፡ ኣብ ንኡሽቶ ውቅያኖስ ኒኩማሮሮ ሓድሽ ኣለሻ ተጀሚሩ ኣሎ። እዚ ኣለሻ፡ ቑርጽራጽ መርከብ ታይታኒክ ብዝረኸበ ፍሉጥ በዓል ሞያ ውቅያኖስ ሮበርት ባላርድ ዝምራሕ'ዩ። ብዙሓት ፈቲኖም ዝወደቕሉ ጉዳይ፡ ንሱ ክዕወተሉ'ዶ ይኸውን? ኤሜሊያ ኢርሃርት፡ ኮኸብ ኣቪየሽን ዓለም ጥራሕ ኣይነበረትን፤ ህብብቲ'ውን እያ ነይራ። እዛ ፈላሚት ፓይለት ኣብ 1932 ኣብ ዙርያ ኣትላንቲክ ብዘይምቁራጽ ንብሕታ ዝበረረት ፈላሚት ጓል ኣንስተይቲ'ያ። እቲ በረራ፡ ስምዒታዊ ነይሩ። ኣብ ዝኸደቶ፡ ርእሰ ዜና ዓለም ኮይና ሚዲያታት ክስዕብኣ ጀሚረን። ተቖጻጻሪ መዕርፎ ነፈርቲ ሃገራዊ ቤተ መዘክርን ነፈርትን ኣሜሪካ ዶሮትራ ኮችራኔ፡ \"ኢርሃርት ኣብ 1930ታት ሓንቲ ካብ ዝንኣዳ ደቂ ኣንስትዮ'ያ\" ክብል ይገልጻ። \"ወዲ ተባዕታይ ኣብ ዝተቖጻጸሮ ዓለም፡ ኣብ ዓውዲ ኣቪየሽን ዓርሳ ዘዕበየት ጓል ኣንስተይቲ'ያ\" ድማ ይብላ። ጉዕዝኣ ካብ ምዕራብ ኣሜሪካ ናብ ብራዚል፣ ኣፍሪቃ፣ ማእኸላይ ምብራቕ፣ ህንዲ፣ ኢንዶኖዢያ፣ ኣውስትራሊያ፡ መወዳእታ ድኣ ፓፓዋ ኒው ጊኒ ወሲዱዋ'ዩ። ካብዚ ኹሉ ፓስፊክ ጥራሕ'ዩ ተሪፉዋ ነይሩ። መዛዘሚ ጉዕዝኣ ሃዋይ ገይራ መሬት ኣሜሪካ ክትረግጽ'ኳ እንተነበረ፡ ካብ ከተማ ሊ፡ ፓፓዋ ኒው ጊኑ ምስ ተበገሰት ግን ናብ ቀጻሊ መዕረፊኣ ዝነበረት ጸባብ ደሴት ሃውላንድ ኣየቕነዐትን። እንታይ'ዩ ኣጋጢሙዋ ዝብል ነገር ክሳብ ሕዚ ኣይተነጸረን፤ ሚስጢርን ሕንቅልሕንቅሊተይን ኮይኑ ተሪፉ። \"ርጋዛ ዝሕብር ምልክት ዘይገደፈ ምጥፋእ ኤሜሊያ ኢርሃርት፡ ክሳብ ሕዚ ዝንተኣለማዊ ሚስጢር ዝኾነ ጉዳይ'ዩ\" ይብል ኮችራኔ። በዓል ሞያ ውቅያኖስ ሮበርት ባላርድ፡ ንከምዚ ዝበለ ፍጻሜ ሓድሽ ኣይኮነን። እዚ ወዲ 77 ዓመት ሰብኣይ፡ ቑርጽራጽ ታይታኒክ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ መዓሙቕ ኣትላንቲክ መርከብ ኲናት ናዚን ካልኦትን ጋሕጢጡ ዘውጽአ ሙኩር በዓል ሞያ'ዩ። \"ልክዕ ከምቲ ኣነ ባሕሪ ውሽጢ እናኣተኹ ህይወተይ ሙሉእ ዝሰራሕኹዎ፡ ኩሉ ሰብ ከቢድ'ዩ ኢሉ ዝሓሰቦ ብምግባር ዓለም ዘደነቐት ሰብ ብምንባራ፡ ብታሪኽ ኤሜሊያ ኩል ግዘ ይግረም ነይረ\" ይብል ባላርድ። \"ኣነ ሃዳናይ እየ፤ ይዓብዩ ዘለው ሃደንቲ ድማ ክትከውን ኣለካ። ንነብሰይ ኣብታ ነፋሪት ገይረ፡ ኤሜሊያ ይኸውን ኣለኹ\" ኢሉ። ስለዚ፡ ኤሜሊያን ነፋሪታን ኣበይ እየን ዘለዋ? እዚ ልኡኽ ኣለሻ፡ ኣብ ማእኸላይ ፓስፊክ ናብ እትርከብ ንኡሽቶ ደሴት ኒኩማሮሮ ኣምሪሑ ኣሎ። 2 ሓምለ 1937 ናብ ደሴት ሃውላንድ ክትበጽሕ ኣሚታ ዝነበረት ኤሜሊያ፡ መርከብ ሓለዋ ገምገም ባሕሪ ኣሜሪካ፡ እታ ትበረላ ዝነበረት Lockheed L-188 Electra ኣብቲ ኣድማስ በጺሓ ክትሕግዛ ብትዕግስቲ ትጽበ ነይራ። ኤሜሊያ ኢርሃርት ፍሬድ ኑናን ምስ ዝተብሃለ መርከበኛ ኣብ ዝተጉዓዘትሉ በረራ፡ ቐሪብና ኣለና ግን ድማ ነዳዲ ይሓጽረና ኣሎ ዝብል መልእኽቲ ሰዲዶም ነይሮም። እቲ ናይ መወዳእታ ናይ ራዲዮ መልእኽቶም ድማ፡ ደሴት ሃውላንድ ኣብ ዝርከበሉ መስመር ጉዕዞ ባሕሪ ይበሩ ከም ዘለው ዝሕብር'ዩ ነይሩ። ኣብ ተመሳሳሊ መስመር ግን፡ ካብ ሃውላንድ 648 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ንኣንፈት ደቡብ ምዕራብ ደሴት ኒኩማሮሮ ይርከብ። እዚ'ዩ፡ እዛ ሰብ ኣብቲ ደሴት ንምእላሽ ዘለዓዓለ ገግምት። ምጥፋእ ኤሜሊያን፡ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካን ሓለውቲ ገምገም ባሕርን ብሓባር ዘካይዱዎ ኦፕሬሽን ክጅመር ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ። እታ ነፋሪት፡ ኣብ ጥቓ ደሴት ሃውላንድ ወዲቓ ትኸውን ትኽእል'ያ ዝብል ግምት ኣሎ፤ ሓባሪ ምልክት ግን የለን። ሕጽረት ምርጫ ክኾኑ ዝኽእሉ ክልሰ ሓሳባት እንተሃለወ'ውን፡ ገሊኦም ዝተፈለዩ እንትኾን ብተመራመርቲ ኤሜሊያን ግን ተኣማንነት ዝረኸቡ ኣይኮኑን። ኢርሃርት ካብ ኣንፈት ሰሜን ናብ ደሴት ማርሻል ምስ ከደት ብጃፓናውያን ተታሒዛ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣንጻር ኣሜሪካ ዝነግር ፕሮፖጋንዳ ክትሰርሕ ተገዲዳ ክትኸውን ትክእል'ያ ዝብል ሓደ ግምታዊ ሓሳብ ኣሎ። ኣብ 2017፡ ናይ ክልቲኦም ምስሊ ርእሰ ዜና ማዕከናት ሓበሬታ ኮይኑ ነይሩ ግን ድማ፡ ግልጺ ሓበሬታ ዝህብ ኣይነበረን። ነዚ አመተ ዘራጉዱ ጃፓናውያን'ውን ኣይተረኸቡን። ኢርሃርት፡ ኣብ ትሕቲ ጃፓናውያን ምስ ጸንሐት ኣሜሪካ ኣትያ፡ ኣብ ኒው ጀርሲ ሽማ ቐይራ ትነብር ነይራ'ያ ዝብል ካልእ ግምታዊ ሓሳብ'ውን ኣሎ። ነዚ ዘረጋግጽ መረዳእታ'ውን ኣይተረኸበን። እቲ፡ ኣብ ደሴት ኒኩማሮሮ ወዲቓ ትኸውን'ያ ዝብል ክልሰ ሓሳብ ግን ብዙሓት ደገፍቲ ኣለውዎ። ኣብ 1940ታት ዝተረኸበ ዓጽሚ ናይ ወዲ ተባዕታይ'ዩ ተባሂሉ፤ ድሓር ብፎረንሲክ ኣብ ዝተረጋገጸ ስእሊ ድማ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ክኸውን'ዩ ተባሂሉ ተገሚቱ ነይሩ። እዚ ማለት፡ ምስ ኤሜሊያን ኢርሃርት ዝዛመድ ክኸውን ይኽእል። ይኹን'ምበር፡ ንዝሓለፉ ዓሰርታት ዓመታት ብርክት ዝበሉ ኣለሻታት ኣብ ከባቢ ደሴት ሃውላንድ ተኻይዶም፤ ኩሎም እታ ነፋሪት ኣሊሾም ክረኽቡ ኣይክኣሉን፤ ወዲቖም። ባላርድ፡ ዓብዪ ኦፕሬሽን ከካይድ እዩ። ሓደ ጉጅለ፡ ዝኾነ ዓይነት ኣፋፍኖት ክረክብ ዝኽእል ዓጽሚ ወይ ካልእ ነገር ክረክብ ክጽዕር'ዩ። እቲ ኻልኣይ ባዕሉ ዝመርሖ ጉጅለ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ነታ ነፋሪት ክሃድን'ዩ። ኢርሃርትን ኑናንን ሓደጋ ምውዳቕ ኣጋጢሙዎም እንተድኣኾይኑ፡ እታ ነፋሪት ናብ ባሕሪ ኣትያ ክትኸውን ትኽእል'ያ። እዚ ሓድሽ ልኡኽ፡ ቴክኖሎጂ ተጠቒሙ ባይታ እቲ ውቅያኖስ ክቕይስ'ዩ። ክሳብ 3,962 ሜትሮ ዕምቆት ኣትዮም ዝህስሱ ሰራሕተኛታት ሓይሊ ባሕሪ ድማ ክውደቡ'ዮም። ብዙሓት፡ ምጥፋእ ኢርሃርት ተደሪኾም ምኽረ ሓሳቦምን ግምቶምን ክህቡ ዝጸንሑ ሰብ ሞያ ግን፡ ልኡኽ ሮበርት ፍሹል'ዩ ይብሉዎ። \"እታ ነፋሪት ኣብ ጥቓ ኒኩማሮሮ እያ ዘላ ኢለ ኣይሓስብን\" ኢላ ክኢላን ጸሓፊት ግለ ታሪክን ኢርሃርት ሱዛን ቡትለር።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49303561"} {"headline":"ቦይንግ ኣብ ነፈርቲ 737 ኤንጂ ንዝተረኸበ ነቓዓት ክፍትሽ ተኣዚዙ","content":"ምምሕዳር ኣቭየሽን ፌደራል ኣመሪካ፡ ቦይንግ ኣብ ሓንቲ ዘገልገለት ነፋሪት ምትዕርራያት ክገብር እንከሎ ነቲ ነቓዓት ከም ዝረኸበ ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ከምዝበሎ፡ ኣብ ካልኦት ዝተወሰና ነፈርቲ'ውን ተመሳሳሊ ነቓዓት ተረኺቡ እዩ። ካብ ምብራር ተኣጊደን ዘለዋ '737 ማክስ' ነፈርቲ ግን በዚ ፍተሻ ኣይተጸለዋን። '737 ኤንጂ' ዝዓይነተን ነፈርቲ ምስ ዘለውኦም መገድታት ኣየር ብዛዕባ እዚ ኩነታት ንምዝርራብ ርክብ ከምዝገበረ ዝገለጸ ቦይንግ፡ ዝተሓበረለይ ጸገም ግን የለን ኢሉ። እቲ ነፈርቲ ዘፍርይ ትካል፡ በዚ ፍተሻ ክንደይ ነፈርቲ ከምዝጽለዋ ኣይሓበረን። \"ኣብ መጻኢ መዓልታት፡ ምስ ዓማዊልና ኮይንና ኣብ ገለ ነፈርቲ ነቲ ዝተብሃለ ፍተሻታት ክነካይድ ኢና\" ኢሉ ቦይንግ ኣብ መግለጺኡ። እቲ ዝተረኸበ ነቓዓት ኣበይ ምዃኑን ካልእን ዝርዝር ሓበሬታ ንምርካብ ቢቢሲ ንቦይንግ ሕቶ ኣቐሪቡ፡ ዛጊት ግን ምላሽ ኣይረኸበን።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49868903"} {"headline":"ዝተጐዘየ ኢድን ቀለቤት መርዓን፡ ኣብ ከብዲ ሻርክ ተረኺቡ","content":"ወዲ ስኮትላንድ ዝኾነ በጻሒ ዓዲ፡ ናይ መርዓ ቀለቤቱን ዝተጐዘየ ኢዱን ኣብ ከብዲ ሻርክ ተረኺቡ። እቲ ወዲ 44 ዓመት ሰብኣይ፡ ኣብ ዝሐለፈ ቀዳመ-ሰንበት፡ ኣብ ጥቃ ማዳጋስካር ኣብ እትርከብ ደሴት ሪዩንየን፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝሕንብስ ዝነበረ'ዩ። ንሱ፡ ኣብቲ ቦታ ምስ በዓልቲ ቤቱ ንሰሙን ምሉእ ንዕርፍቲ ከም ዝመጸኣ ይፍለጥ። እቲ ሻርክ ብኽኢላታት ንመጽናዕቲ ምስ ተታሕዘ እዩ፡ ኢዱን ቀለቤቱን ኣብ ከብዱ ዝተረኽበ። ነበርቲ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ከም ዝሓበርዎ፡ እቲ ሰብኣይ ንሰበይቱ ንውሑዳት ደቃይቕ ንክሕንብስ ኢሉ ከም ዝተፈለያ ገሊጾም። ሰብ-መዚ'ቲ ከባቢ፡ካብ በዓልቲ ቤቱን ካብ ካልኦትን ዝረኸብዎ ሓበሬታ መሰረት ገይሮም፡ ብጀላቡ፣ ሓንበስትን ሄልኮፕተርን ተሃጊዞም እንተኣለሽዎ'ኳ፡ ነቲ ሰብኣይ ግን ክረኽብዎ ኣይከኣሉን። ድሕሪ ሒደት መዓልታት ግና ኣብቲ ከባቢ ገለ ክፋል ኣካላት እቲ ሰብኣይ ኣብ ከብዲ ሻርክ ተረኺቡ። ኣብቲ ብብዝሒ ሻርክ ዝርከበሉ ከባቢ፤ ንሓምበስትን በጻሕቲ ዓድን ዘጠንቅቕ ታቤላታት ተሰቒሉ ይርከብ። እቲ ሻርክ ምስ ካልኦት ዓሳታት ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ህንደዊ ውቅያኖስ እዩ ተታሒዙ። እቲ ስብኣይ፡ ኣብ ባሕሪ ምስ ጠሓለ ድዩ ወይስ እናሓንበሰ እንከሎ ብሻርክ ተበሊዑ ንዝብል ግን ክሳብ ሕጂ ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ፡ ኣብ ደሴት ሪዩንየን ክልተ ሓደገኛ ዝኾኑ መጥቃዕቲ ሻርክ ኣጋጢሙ ነይሩ። ሰብ-መዚ እቲ ከባቢ፡ ካብ 2013 ጀሚሩ፡ ኣብ ኩሉ ገማግም ባሕሪ እታ ደሴት ሰባት ንኸይሕብሱ ከልኪሉ ነይሩ እዩ።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50342728"} {"headline":"ወተሃደራዊት ነፋሪት ፓኪስታን ብምውዳቓ 17 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ፓኪስታን ከተማ ራዋልፒንዲ ሓንቲ ወተሃደራዊት ነፋሪት ተሓምሺሻ 17 ሰባት ከም ዝሞቱ፡ በዓልመዚ ምክልኻል ሓደጋ እታ ሃገር ኣፍሊጡ። በቲ ሓደጋ ሓሙሽተ ሰራሕተኛታት በረራን ካልኦት 12 ሰባትን እንክሞቱ፡ 12 ሰባት ከም ዝተጎድኡ ድማ፡ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ፀብፂበን። ካብቲ ሓደጋ ብህይወት ዝተረፈ ሰብ ከም ዘየለ እውን ተገሊፁ። እዛ ኣብ ልምምድ ከም ዝነበረት ዝተነገረላ ነፋሪት ኣብ ናይ መንበሪ ከባቢ ብምሕምሻሻ፡ ብርክት ዝበሉ መንበሪ ኣባይቲ ተቓፂሎም እዮም። እታ ነፋሪት ናይ ወተሃደራዊ ኣቬየሽን ፓኪስታን ዋላ እኳ እንተኾነት፡ መንቀሊ እቲ ሓደጋ ግን ዛጊድ ኣይተፈለጠን። እዚ ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሉ ከባቢ፡ ናብ ብዙሓት ሰባት ኣውያትን ምእካብን ከም ዝነበረ ማዕኸል ዜና ኤ ኤፍ ፒ ፀብፂቡ። ጋዜጠኛ ኤ ኤፍ ፒ፡ ክሳብ ሕዚ ኣብቲ ከባቢ ትኪን ስባር ናይታ ነፋሪትን፡ ኣብ ሓደ ናሕሲ መንበሪ ገዛ ከም ዝረኣየን ሓቢሩ። \"ካብ ድቃሰይ ድምፂ ምፍንጃር ምስ ሰማዕኹ እየ ነቒሐ\" ዝብል ነባሪ እቲ ከባቢ መሓመድ ሳዲቕ፡ ኣብቲ እዋን ሰባት የእውዩ ከም ዝነበሩን፡ መጠን እቲ ባርዕ ልዑል ብምንባሩ ክንሕግዞም ኣይከኣልናን ኢሉ። ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኢስላማባድ ትርከብ ከተማ ራዋልፒንዲ፡ ማእኸል ዋና ቤት-ፅሕፈት ሰራዊት እታ ሃገር እያ። ቅድሚ ትሽዓተ ዓመታት ብውልቀ መገዲ ኣየር ትሰርሕ ነፋሪት ኣብ ከተማ ኢስላማባድ ብምሕምሻሻ፡ 152 ተጓዓዝቲ ምሟቶም ይዝከር። እዚ ኣጋጣሚ ድማ ኣብ ታሪኽ ፓኪስታን ህይወት ብዙሓት ሰባት ዝጠፍአሉ ኣጋጣሚ ኮይኑ እዩ።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49161242"} {"headline":"ኩባንያ ቦይንግ፡ ጠለብ ነፈርቲ 737 ማክስ ተሰሪዝዎ","content":"ብተዛማዲ ትሑት ክፍሊት ዘኽፍል መገዲ ኣየር ስዑዲ 'ፍላይድይል' ምስ ኩባንያ ቦይንግ ኣትዩዎ ዝነበረ ውዕል ምግዛእ 30 ነፈርቲ 737 ማክስ ሰሪዝዎ። እዚ ውሳነ ንምወዳቕ ማክስ 737 ነፈርቲ መገዲ ኣየር ኢንዶነዥያን ኢትዮጵያን ተኸቲሉ ኢዩ ዝውሰድ ዘሎ። ድሕሪ'ቲ ሓደጋ እዘን ዓይነት ነፈርቲ ካብ ስራሕ ደው ኢለን ይርከባ። ውሑሳት ንምግባረን ድማ ቦይን ኣብ ስራሕ ተጸሚዱ ይርከብ። ኩባንያ ቦይንግ፡ ፍላይድይል ካብቲ ኣፈናዊ ስምምዕ ምውጻኣ ወግዓዊ ገይሩ። እቲ ኣፈናዊ ስምምዕ ብውሑዱ ናይ 5.9 ቢልዮን ዶላር ኢዩ ነይሩ። ኣብ ትሕቲ ብመንግስቲ ዝውነን መገዲ ኣየር ሱዕዲ ዝመሓደር ፍላይድይል፡ ኣቃልብኡ ናብ ኩባንያ መፍረ ነፈርቲ ኣይርባስ ብምግባር A320 ዝዓይነተን ነፈርቲ ክውንን'ዩ። ሓደጋ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ውሽጢ 5 ወርሒ ንኻልኣይ ግዘ ዘጋጠመ ምውዳቕ ነፋሪት 737 ማክስ ኮይኑ ተመዝጊቡ'ሎ። እተን ደው ኢለን ዘለዋ ዓይነት ነፋርቲ 737 ማክስ መዓስ ናብ በረራ ከም ዝምለሳ ብጩቡጥ ዝተፈልጠ ነገር የለን። ቦይንግ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንስድራቤት ግዳያት እቲ ሓደጋታት ዝኸውን 100 ሚልዮን ዶላር ከም ዝህብ ዕላዊ ገይሩ ነይሩ። እዚ ገንዝብ ምስቲ ብስዳራቤት ግዳያት ዝተመስረተ ክሲ ዝተኣሳሰር ኣይኮነን። እዚ ስጉምቲ ብጠበቓታት ስድራቤት ግዳያት ተቐባልነት ኣይረኸበን።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48905246"} {"headline":"ዴ.ሪ ኮንጎ፡ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ገዛ ብዝተሓምሸሸት ነፋሪት ብውሑድ 27 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ከተማ ጎማ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ገዛ ብዝተሓምሸሸት ነፋሪት መጓዓዝያ ብውሑድ 27 ሰባት ከምዝሞቱ ሰበስልጣን ኣፍሊጦም። ካብ ግዳያት፡ እቶም 9 ኣብ ሓደ መንበሪ ገዛ ተኣኻኺቦም ዝነበሩ ኣባላት ስድራቤት ከምዝኾኑ ተገሊጹ። እታ ንእሽተይ ነፋሪት መጓዓዝያ ካብ ናይታ ከተማ መዕርፎ ነፈርቲ ካብ እትብገስ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ዝተሓምሸሸት ኮይና፡ መንቀሊ'ቲ ሓደጋ ዛጊት ኣይተነጸረን። 17 ተጓዓዝትን ክልተ ኣባላት በረራን ድማ ጽዒና ምንባራ ሰበስልጣን ሓቢሮም። ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ድኹም ደረጃ ድሕነትን ጽገናን ተደጋጋሚ ሓደጋ ነፈርቲ ከምዘጋጥም ይዝረብ። በዚ ምኽንያት ኩለን ኣብታ ሃገር ዝርከባ ነፈርቲ መጓዝያ ናብ ኣውሮጳዊ ሕብረት በረራ ከይገብራ ተኣጊደን'የን። ዶርኒየር-28 ትዊን-ቱርቦፖርፕ ዓይነት ነፋሪት ቢዚ ቢ ብዝበሃል ብሕታዊ ትካል ትውነን። ካብ መሬት ምስተለዓለት ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ ከምዝተሓምሸሸት ሓደ ምስክር ዓይኒ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። እታ ነፋሪት ናብ ደቡብ ጎማ፡ ኣስታት 350 ኪሎሜትሮ ርሒቓ ናብ እትርከብ ቤኒ ትጓዓዝ ነይራ። ጄሞ ሜዳር ዝተበሃለ ምስክር ዓይኒ፡ እታ ነፋሪት \"ኣብ ኣየር ሰለስተ ግዜ ከምዝተሽከርከረትን ከቢድ ትኪ ከምዘውጽኣትን\" ምርኣዩ ገሊጹ። \"እታ ነፋሪት ምስወደቐት ናብኡ ከይድና፤ ነቲ ፓይለት ንፈልጦ ኢና፡ ዲድየር እዩ ዝበሃል። 'ርድኡኒ . . . ርድኡኒ' እናበለ ብዓውታ ይምሕጸን ነይሩ። ሓያል ባርዕ ተፈጢሩ ስለዝነበረ ግን ክንጽጋዕ ኣይከኣልናን\" ክብል ንሮይተርስ ተዛሪቡ። ገለ ምንጪታት ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ እታ ነፋሪት ምስተበገሰት ኣብ ሞተረ [ኢንጂን] ጸገም ከጋጥማ ኪኢሉ'ዩ። እታ ነፋሪት ኣብ ዝተሓምሸሸትሉ እዋን፡ ክንደይ ሰባት ኣብ ውሽጢ መንበሪ ገዛውቶም ነይሮም ዝብል ኣይተፈለጠን ነይሩ። እታ ነፋሪት ሰባት ብጻዕቂ ኣብ ዝነብሩሉ ከባቢ'ያ ተሓምሺሻ።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50542153"} {"headline":"ዛምቢያ፡ ብበርቂ ዝተሃረመት ነፋሪት መጓዓዝያ ብሰላም ዘዕለበ ፓይለት ናእዳ ይቐርበሉ ኣሎ","content":"ነፋሪት መጓዓዝያ ዳሽ 8-300 ዋንነታ ፕሮፍላይት ናይ ዝበሃል ብሕቲ መገዲ ኣየር'ያ። ኣብ በረራ እናሃለወት ብበርቂ ኣብ ዝተወቐዐትሉ እዋን 41 ተጓዓዝቲ ሒዛ ነይራ። ጉዕዞኣ ካብታ በጻሕቲ ዝበዝሑላ ከተማ ሊቪነግስተን ናብ ርእሰ ከተማ ዛምቢያ-ሉሳካ ነይሩ። ናብታ ከተማ እናተጸገዐት ኣብ ዝነበረትሉ ሰዓት ድማ ብኸቢድ መሸምብቦ በረድን በርቅን ሓደጋ ከምዘጋጠማ ተገሊጹ። እታ ነፋሪት ኣብ ቅድሚታ (ኣፍንጭኣ) በቲ በርቂ ሓደጋ እንተጋጠማ'ኳ ኣብራሪኣ ብሰላም፡ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኬነት ካውንዳ ከዕልባ ብምኽኣሉ ናእዳ ይቕርበሉ ኣሎ። ማዕኸን ዜና ወባንቱ [Mwebantu] ኣብ ትዊተር ዝጠቅዖ ስእሊ ኣብታ ነፋሪት ዝበጽሐ ጉድኣት የርእይ። ዋና ኣካያዲ ስራሕ መገዲ ኣየር ፕሮፍላይት ዝኾነ ፊል ሌምባ፡ ኩሎም ተጓዓዝቲ ብሰላም ክኣትው ብምኽኣሎም ሓጎሱ ገሊጹ። \"41 ሰባት ዝጸዓነት ነፋሪትና፡ ናብ ከተማ ሉሳለካ እናቐረበት ምስከደት ብበርቂ ተወቒዓ\" ክብል ኣብታ ሃገር ንዝሕተም ጋዜጣ ደይሊ ሜይል ተዛሪቡ። ኣሰራርሓ ናይታ ነፋሪት ንከቢድ ሓደጋ ከይትቃላዕ ከምዝሓገዛ ዝዛረብ እቲ ሓላፊ፡ ንበርቂ ዝከላኸል ክፍሊ ከምዘለዋ ሓቢሩ። እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ ድማ ብመሸምብቦ በረድ ዝተሃረመት ነፋሪቱ ጉድኣት ከምዝበጽሓ ኣፍሊጡ ነይሩ። ከቢድ በርቂ ከምዝነበረ ብምግላጽ፡ እቲ ሓደጋ በቲ በርቂ ዘጋጠመ ምዃኑ ንምርግጋጽ ግን ተወሳኺ ምርመራ ይካየድ ከምዘሎ ሓቢሩ። እቲ ፓይለት ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ብፍላይ ፌስቡክ ልዑል ናእዳ ይቐርበሉ ኣሎ።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50569637"} {"headline":"ቺለ፡ ገለ ክፋል ናይታ 38 ሰባት ሒዛ ዝተሰወረት ነፋሪት ተረኺቡ","content":"ሰብ መዚ ቺለ ናይታ ብሰኑይ 38 ሰባት ሒዛ ዝጠፈአት ወተሃደራዊት ነፋሪት፡ ገለ ስብርባር ኣካል ከም ዝረኸቡ ሓቢሮም። እቲ ስብርባር ናይታ ነፋሪት፡ ካብቲ ርክብ ዘቋረጸትሉ 30 ኪሎሜተር ርሒቁ ኣብ ደሬክ ፓሴጅ ዝተብሃለ ማያዊ ኣካል ከም ዝተረኸበ'ውን እቲ ዝወጽአ ሓበሬታ ይሕብር። እታ ብሰኑይ ዝጠፈአት ነፋሪት ካብ ደቡባዊት ክፋል ከተማ ፑንታ ኣሬና ተበጊሳ ናብቲ ኣብ ኣንታርቲካ ዝርከብ ፕረዚደንት ኢድዋርዶ ፈረይ ሞንታለቫ ዝተብሃለ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ እያ ትኸይድ ነይራ። ኮማንደር ሓይሊ ኣየር ቺለ ኢድዋርዶ ሞስኮርያ ኣብ፡ እቲ ዝተረኸበ ክፋል እታ ነፋሪት ውሽጣዊ ኣካል ገንኢ ነዳዲ ናይታ ነፋሪት ክኸውን ከም ዝኽእል ሓቢሩ። ኮማንደር ኢድዋርዶ ሞስኮርያ፡ እቲ ዝተረኸበ ስብርባር ብርግጽ ናይታ ብሰኑይ ዝጠፈአት ነፋሪት ምኳኑ ኣብ ምጽራይ ከም ዝርከቡን ዝተረፈ ኣካላት እታ ነፋሪት ንምርካብ ይረባረቡ ምህላዎምን'ውን ሓቢሩ። ኣብዚ ናይ ምድላይ መስርሕ፡ ኣርጀንቲና፣ ብራዚል፣ ዓባይ ብርጣንያን ኡራጓይን ነፈርቲ ብምልኣኽ ሓገዘን ከበርክታ እንከለዋ፡ ኣሜሪካን እስራኤልን ኸኣ ኣሳእል ናይ ሳተላይት ብምልኣኽ ሓገዘን የበርክታ ምህላወን ተገሊጹ። እንተኾነ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ብርቱዕ በረድ ነቲ ናይ ምድላይ መስርሕ የሰናኽሎ ምህላዉ ይግለጽ።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50754081"} {"headline":"ሓንቲ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ነፋሪት ሩስያ ብዕስለ ኣዕዋፍ ተሃሪማ ኣብ ሕርሻ ዓሊባ","content":"ኣብ ሩስያ ሓንቲ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ነፋሪት፡ ጸገማት ምስ ኣጋጠማ ኣብ ሓደ ኣብ ጥቓ ርእሰከተማ ሞስኮ ዝርከብ ሕርሻ ዕፉን ክትዓልብ ተገዲዳ። በቲ ሓደጋ 23 ሰባት ከም ዝቖሰሉ ተፈሊጡ። እታ ነፋሪት፡ ዕስለ ኣዕዋፍ ድሕሪ ምህራማ'ያ፡ ሞተረታታ ተፈልዩ፡ ጎማ ኣእጋራ ከይዘርገሐት ኣብቲ ሕርሻ ዓሊባ። እተን ኣዕዋፍ ናብ ሞተረታታ ተሳሒበን ከም ዝኣተዋ ተፈሊጡ። እታ መንገዲ ኣየር ኦራል ዝኾነት ኤርባስ 321 ናብታ ኣብ ዞባ ክሪምያ እትርከብ ከተማ ሲምፈሮፓል ኣብ እትበረሉ ዝነበረት እዋን'ያ፡ ኣዕዋፍ ባሕሪ ሃሪማ። መራኸቢ ብዙሃን መንግስቲ እታ ሃገር፡ ብዘይ ከቢድ ጉድኣት ክትዓልብ ምኽኣላ \"ተኣምራት\" ክብላ ገሊጸንኦ። እታ ነፋሪት ዓቢ ዕንወት ከም ዘጋጠማን ድሕሪ ሕጂ ክትበርር ከም ዘይትኽእልን እቲ መንገዲ ኣየር ኣፍሊጡ። ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ንምጽራይ ወግዓዊ መርመራ ተጀሚሩ'ሎ። እታ ነፋሪት፡ 233 ተጓዓዝትን ኣባላትን ሒዛ ከም ዝነበረትን፡ እተን ኣዕዋፍ ናብ ሞተረታታ ተሳሒበን ምስ ኣተዋ፡ ኣብረርቲ ብህጹጽ ከዕልብዋ ወሲኖም። እታ ነፋሪት ካብ ማዕርፎ ኣየር ምስተላዕለት ብኡንብኡ ክትንቅቀጥ ከም ዝጀመረት ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ ተጓዓዚ ንመንግስታዊት ተለቭዥን እታ ሃገር ተዛሪቡ። \"ድሕሪ 5 ካሊኢታት፥ ኣብ የማናይ ወገን ዘሎ መብራህቲ ናይታ ነፋሪት ውልዕ ጥፍእ ክብል ጀሚሩ። ናይ ሓዊ ጨና ክሽትት ጀሚሩ። ምስ ዓሊብና ድማ ኩሉ ሰብ ሃዲሙ\" ኢሉ። ትካል መጓዓዝያ ኣየር 'ሮሳቪያትሲያ' ከም ዝበሎ፡ እታ ነፋሪት፡ ሓደ ኪሎ ሜትር ካብ ዓለምለኻዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ዙኮቭስኪ ኣብ ዝርከብ ናይ ዕፉን ሕርሻ'ያ ዓሊባ። ሞቶራታ ድማ ምስኣ ከም ዘይነበረን፡ ኣእጋራ'ውን ከም ዘይተዘርግሐ'ውን ጠቒሱ። ድሕሪ'ቲ ሓደጋ፡ ተጓዓዝቲ ገሊኦም ናብ ሆስፒታል ገለ ድማ ናብቲ ማዕርፎ ነፈርቲ ተወሲዶም። ካብቶም ሕክምና ዝተገብረሎም ሓሙሽተ ቆልዑ ከም ዝርከብዎም ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ። እቶም ኣብቲ ሓደጋ ዝቖሰሉ ከቢድን ቀሊልን ማህሰይቲ ዘለዎም ምዃኖም ሰብመዚ ተዛሪቦም።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49361017"} {"headline":"ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ወታሃደራዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ክትዓልብ ተገዲዳ","content":"ናብ ብሩንዲ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘጋጠማ ናይ ጸጥታ ጸገም ኣብ ወታሃደራዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ብሩንዲ ክትዓልብ ከም ዝተገደደት ምንጭታት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንቢቢሲ ሓቢሮም። ጠንቂ ናይቲ ዘጋጠማ ስግኣት፡ ሓደ ተጓዓዛይ፡ ኣብ ሽቓቕ ናይታ ነፋሪት ብምእታው፡ ነታጒ ከባርዕ ምዃኑ ምፍርርሑ ምዃኑ'ውን ትካል ጸጥታ ብሩንዲ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። እቶም ምንጭታት ከም ዝሕብርዎ ዘለዉ፡ እቲ ኣፈራሪሑ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ብዝበጽሓና ሓበሬታ፡ እቶም ተጓዓዝቲ ብዘይ ዝኾነ ጉድኣት ካብታ ነፋሪት ክወርዱ ክኢሎም ኣለዉ። ዓለምለኻዊ ማዕርፎ ነፈርቲ መልኪዮ እንዳዳየ ንሰዓታት ተዓጽዩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ ንቡር ተመሊሱ ከም ዘሎ'ውን እቲ ካብ ጸጥታ እታ ሃገር ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ድማ፡ እታ ናብ ቡጁምቡራን ኪጋሊን እትጓዓዝ ዝነበረት በረራ ቑጽሪ ኢቲ817፡ ሓደ ተሳፋራይ እታ ነፋሪት ኣብ እትዓልበሉ እዋን ቦምብ ከምዝሓዘ ዝገልጽ ናይ ሓሶት ምፍርራሕ ከምዝገበረ ኣመልኪቱ። እታ ነፋሪት ብሰላም ከምዝዓለበትን እቲ ተሳፋራይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ከምዝወዓለን 'ውን ሓቢሩ። ብተወሳኺ እታ ነፋሪትን ሰራሕተኛታቱን ናብ ልሙድ ስረሖም ከምዝቕጸሉ ዝገለጸ እቲ መገዲ ኣየር፡ በቲ ዝተፈጠረ ጸገም ንተሳፈርቱ ይቕረታ ሓቲቱ።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50505642"} {"headline":"ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቦይንግ 767 ብዘጋጠማ ጸገም ብህጹጽ ክትዓልብ ተገዲዳ","content":"ካብ ሰኔጋል- ዳካር ናብ ኣዲስ ኣበባ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዘጋጠማ ጸገም ብህጹጽ ክትዓልብ ተገዲዳ። ብቁጽሪ በረራ ET 908 ዝተመዝገበት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቦይንግ 767-300፡ መበገሲኣ ዋና ከተማ ሰኔጋል ንዝኾነት ዳካር ብምግባር ናብ ኣዲስ ኣበባ ትጓዓዝ ነይራ። ሎሚ ሰሉስ ካብ ሰኔጋል ተላዒላ ብማሊ፡ ባማኮ፡ ኣቢላ ናብ ኢትዮጵያ ክትበጽሕ ዝተሓሰበት ነፋሪት ግን፡ ናብቲ ዝተበገሰትሉ ዓለምለኸ ማዕርፎ ነፈርቲ 'ዲያስ' ተመሊሳ ንክትዓልብ ዘገደደ ጸገም ከም ዘጋጠማ'ዩ ተገሊጹ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብትዊተሩ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ እታ ነፋሪት ብህጹጽ ንኽትዓልብ ዝተገደደትሉ ምኽንያት ኣብ በረራ እናሃለወት ብዘጋጠማ ቴክኒካዊ ጸገም ከም ዝኾነ ገሊጹ'ሎ። ወኪል ዜና ፈረንሳ (ኤ-ኤፍ-ፒ) ንሰበስልጣን'ቲ መገዲ ኣየር ብምጽራሕ ኣብ ዘቃልሖ ዜና፡ እታ ነፋሪት ናብቲ ዝተበገሰትሉ ቦታ ተመሊሳ ክትዓልብ ዝኸኣለት፡ ኣብ ሓደ ሞተራ ጸገም ስለዘጋጠማ ከም ዝኾነን ሓዊ ከም ዝተርኣየን ኣመልኪቱ። ፓይለት ቦይንግ 707 ናብ ድሕሪት ተመሊሱ ንኽዓልብ ምስተነገሮ፡ ነቲ ዝተበሃሎ ከም ዝፈጸመ፡ ወሃቢ ቓል ማዕርፎ ነፈርቲ ሰኔጋል ቲድያን ታምባ፡ ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ። ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ 90 ተጓዓዝትን ኣባላት በረራን ዝኾነ ዓይነት ጉድኣት ከምዘይበጽሖም ተፈሊጡ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በዚ ክስተት ንዝተኣጓጎሉ ዓማዊሉ፡ ኣብ ትዊተር ብዝዘርግሖ መልእኽቲ ይቕሬታ ሓቲቱ'ሎ።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49980831"} {"headline":"ጉዕዞ ኣየር ካብ 2 ክሳብ 3 ሚእታዊት ናይ ዓለማዊ ብክላ ጋዝ ከም ዝሽፍን ይግለጽ","content":"ኣብ ምስራሕ ነፈርቲ ዝነጥፋ ትካላት ብኤለክትሪክ ዝሰርሓ ነፈርቲ ብምስራሕ ነቲ ንሳተን`ውን ኢድ ዝሕውሳሉ ኣብ ጽላት ኢንዱስሪኤን እንዳገደደ ዝመጽእ ዘሎ ብከላ ጋዝ ሓምላይ ገዛ ንምብዳህ ሓይለን ኣተኣኻኺበን ተበጊሰን ኣለዋ። እዚ ግን ነቲ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ድሌት ጉዕዞ ብነፋሪት ከመዓራርዮ ይኽእል`ዶ ይኸውን? ኣብ`ቲ ኣብ`ዚ ሰሙን`ዚ ኣብ ፓሪስ ዝተገብረ ምርኢት ነፈርቲ፡ እታ ናይ ፈለማ ምሉእ ብምሉእ ብኤለክትሪክ እትሰርሕ ናይ ገያሾ ነፋሪት ተራእያ። ዋላ`ኳ ብመልክዕ ምስሊ ውቕሮ [ሞዴል] ጥራይ እንተነበረ። እታ ኤቬሽን ዝተባህለት ነቲ ሞደል ዘቕረበት እስራኤላዊት ትካል፡ እታ ኣሊስ ተባሂላ እተሰምየት ነፋሪት ትሽዓተ ሰባት ኣሳፊራ ኣብ 3,000 ሜትሮ ብራኸ እንበረረት ንሓደ ሽሕን ኣርብዓን ኪሎሜተር ክትጓዓዝ ትኽእል፡ ኣብ 2022 ኣብ ጥቕሚ ክትውዕል ድማ ትጽቢት ይግበረላ። ኣሊስ ዘይንቡር መልክዕ`ዩ ዘለዋ፡ ማለት ሰለስተ ንድሕሪት ዝጥምቱ ደፋእቲ መሓንበቢታት [ፕሮፐለርስ]፣ ሓደ ብድሕሪት ክልተ ድማ ስሕበት ዝቃወሙ ብኣንጻር ዝዞሩ ኣብ ጫፍ ናይ ክንፍታታ ኣለዉዋ። ኣብ ምብጋስ ዝሕግዛ ሓደ ታሕተዋይ ጸፊሕ ክንፊ`ውን ኣለዋ። \"እዛ ነፋሪት ከምዚ ዓይነት ኣቓውማ ዝሓዘትሉ ምኽንያት ብኤለክትሪክ እትሰርሕ ስለዝኾነት እምበር ጽብቕቲ ነፋሪት ክንሰርሕ ስለዝደለና ኣይኮነን\" ይብል ሓላፊ ኤቬሽን ኦመር ባር-ዮሃይ። \"ኣብ ሕምባበኻ ተመርኲስካ ኢኻ ነፋሪት ኣትሰርሕ። ብኤለክትሪክ እትሰርሕ ነፋሪት ማለት ድማ ፎከስቲ ሞተረታት ኣለዉኻ ማለት`ዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ናይ ቅዲ ቦታ ክንከፍቶ ይሕግዘና\" ይብል ንሱ።ኤቬሽን ነታ ነፋሪት ንኽትሰርሕ ድሮ ፈላሞት ትእዛዛት ተቐቢላ`ላ። እታ 90 ነፈርቲ እተዋፍር ዞባዊት መገዲ ኣየር ኣሜሪካ ኬፕ ኣየር \"ልዕሊ ዓሰርተ\" ነፈርቲ ክትገዝእ ተሰማሚዓ`ላ። እቲ ትካል ኤለክትሪካዊ ሞተረታት ናይ ጀርመናዊ ትካል ሲሜንስን ማግኒ`ኤክስ ክጥቀም`ዩ። ኣብ ዓመት ንትሕቲ 500 ማይልስ ርሕቀት ዘለዎ በረራ ክልተ ቢሊዮን ቲኬታት ስለዝሽየጥ፡ መጻኢ ናይ`ቲ መኽሰባት ናይ ብኤለክትሪክ ዝሰርሓ ነፈርቲ ገያሾ ብሩህ`ዩ፡ ኢሉ ኣካያዲ ስራሕ ማግኒ-ኤክስ ሮይ ጋንዛርስኪ። ወሳኒ ብዝኾነ መገዲ፡ ኤለክትሪክ ካብ`ቲ ልሙድ ምጥቃም ነዳዲ ኣዝዩ ይሓስር። ሓንቲ ንእሽቶ ቱርቦ-ፕሮፕ ሴስና ካራቫን ብመገዲ ልሙድ ምጥቃም ነዳዲ ናይ 100 ማይልስ በረራ ንምሽፋን 400 ዶላር ትውድእ ይብል ጋንዛርስኪ። ብኤለክትሪክ ግን \"ካብ 8 ክሳብ 12 ዶላር ጥራይ ትውድእ። እዚ ማለት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ በረራ ኣዝዩ ትሑት ዋጋ ማለት`ዩ\" ኢሉ ንሱ። \"ትካልና ኣብ ድሕነት ኣከባቢ ዝነጥፍ ትካል ኣይኮነን። ብኤለክትሪክ ዝንቀሳቐሳ ነፈርቲ ምስራሕና ኣብ ረብሓ ዝተመርኮሰ`ዩ\" ድማ ይብል። ማግኒ-ኤክስ ነተን ብነዳዲ ዝሰርሓ ነፈረቲ ብኤለክትሪክ ከምዝሰርሓ ጌርካ ንምስንዐን ምስ`ቲ ኣብ ቫንኮቨር ዝመደበሩ ሃርበር ኣየር ሓቢሩ ይሰርሕ ኣሎ። ንማእከላይ ርሕቀት በረራ፡ ማለት ኣስታት 1,500 ኪሎሜተር ዝምልከት ድማ እቲ መጻኢ ምኽኒያታዊ ብዝኾነ መገዲ ብሩህ`ዩ። ዘይከም ኣሊስ፡ እተን ነዚ ርሕቀት`ዚ ዒላማ ገይረን ዝሰርሓ ነፈርቲ ነቲ ልሙድ ናይ ነዳዲን ሓይሊ ኤለክትሪክን ሓዊሰን ክሰርሓ`የን። እዚ ድማ ኣብ ወሳኒ እዋን ምብጋስን ምዕላብን ካብ ምጥቃም ነዳዲ ናብ ምጥቃም ኤለክትሪክ ብምቕያር ዓቢ ምቕናስ ብከላ ካርቦንዳይኦክሳይድ ክገብራ`የን። ሓያሎ ናይ መርኣያ ፕሮጀክትታት ድማ ፍረ ክህቡ ተቓሪቦም ኣለዉ። ንኣብነት፡ ሮልስ ሮይስ፣ ኤርባስን ሲሜንስን ነቲ ክልተ ሜጋዎት ሓይሊዝህልዎ ኣብ ልዕሊ BAE 146 ነፋሪት ዝስቀል E-Fan X ፕሮግራም ይሰርሑ ኣለዉ። እዛ ነፋሪት`ዚኣ ኣብ 2021 ክትበርር ትጽቢት ይግበረላ። \"ኣብዚ ዝሳተፍ ገዚፍ መጠን ሓይሊ ኣሎ። እቲ ምህንድስና ፍጹም ኣንፊ ጥርዚ`ዩ፡ ወፍርና ኣብ ኤለክትሪካዊ ሓይሊ ድማ ብፍጥነት ይዓቢ`ሎ\" ይብል ሓላፊ ክፍሊ ቴክኖሎጂ ናይ ሮልስ ሮይስ ፖወል ስተይን። እቲ ንሰራሒ ሞተረ ፕራትን ዊትኒን ዘጠቓልል ዩናይትድ ቴክኖሎጊስ`ውን ኣብ`ቲ ፕሮጀክት 804 ዝበሃል ስርሑ ተጸሚዱ ይርከብ። እታ ነፋሪት ብውሑዱ 30 ሚእታዊ ነዳዲ ንምቑጣብ ክትሕግዝ`ያ ይብል`ቲ ትካል። ኣብ 2022 ክትበርር ድማ ትጽቢት ይግበረላ፡ እተን ነፈርቲ መፋርቕ 2020ታት ድማ ንዞባውያን መገዲ ኣየራት ክሽየጣ ድማ ግምት ተዋሂብወን ኣሎ። ዙናም ኣይሮ ድማ ብኣሜሪካዊ ሰራሕ ነፈርቲ ቦይንግ ተደጊፉ፡ ብማይ ዝሰርሕ ሞተር ናይ ፈረንሳዊ ትካል ሳፍራን ተጠቒሙ ሓንፈጽ\/ድቓላ ነፋሪት ንምስራሕ ይሸባሸብ ኣሎ። እቲ ብትሑት ዋጋ ኣየር ቲኬት ዝሰርሕ ኢዚ ጀት`ውን ኣብ 2027 ብኤለክትሪክ ዝሰርሓ ነፈርቲ ንምጥቃም ምስ ትካል ራይት ኤለክትሪክ ሓቢሩ ይሰርሕ ኣሎ። እዚ መደብ`ዚ ኣብ ናይ ኤውሮጳ ዝጸዓቐ መስመር ለንደን-ኣምስተርዳም ዝኣመሰሉ ሓጸርቲ መገሻታት ዝዓለመ ክኸውን ይኽእል`ዩ። \"ብኤለክትሪክ ብዝሰርሓ ነፈርቲ ምብራር ክዉን እናኾነ ይመጽእ ኣሎ፡ መጻኢ ኣብ ነዳዲ ጥራይ ዘይምርኮስ በረራታት ድማ ይረኣየና`ሎ\" ይብል ኣካያዲ ኢዚ ጀት ዮሃን ላንድግረን። እቲ ዩ ቢ ኤስ ዝተባህለ ናይ ወፍሪ ባንኪ ድማ ጽላት ስነ-በረራ ንዞባዊ ደረጃ ቀልጢፉ ናብ'ሓንፈጽን ኤለክትሪክ ነፈርትን ከምዝቕየር ብምንባይ ነቲ መግለጺ ናይ ዮሃን ላንድግረን ይድግፍ። ኣብ መንጎ 2028ን 2040 ኣብ ዘሎ እዋን 550 ሓናፍጽ ነፈርቲ ንምዕዳግ ጠለብ ክቐርብ`ዩ ኢሉ ድማ ግምቱ ሂቡ`ሎ። መጻኢ ዕድል ብኤለክትሪክ ዝሰርሓ ንነዊሕ ጉዕዞ ዝገሻ ነፈርቲ ግን ብሩህ ኣይኮነን። ኤለክትሪካዊ ሞተረታት፣ ጀነረይተራት፣ መከፋፈልትን መቆጻጸርን ጸዓትን ብቕልጡፍ ማዕቢሎም`ኳ እንተሃለዉ፡ ቴክኖሎጂ ባትሪ ግን ኣይግድን። ዋላ ዓቢ ምዕባለ ኤክኖሎጂ ባትሪ`ውን እንተሃለወ፡ ንኣብነት ካብ 30 ዕጽፊ ንላዕሊ ናይ`ዚ ሕጂ ዘሎ ብቕዓት፡ ሓደ ሕምሲት ርሕቀት ናይ ሓንቲ ፍርቂ መጠን ጽዕነታ ዝጸዓነት ኤርባስ A320 ነፋሪት ጥራይ`ዩ ክሽፍን ዝኽእል፡ ይብል ሓላፊ ክፍሊ ቴክኖሎጂ ኤርባስ ግራዚያ ቪታዲኒ። \"ኣብ ምዕቋር ጸዓት ሓደ ሓድሽ\/ፍሉይ ዝኾነ ኩትሞ እንተዘይሃልዩ፡ ኣቐዲምካ ክትርእዮ ኣብ እትኽእል ናይ ጊዜ መቓን ኣብ ሃይድሮካርቦን ኢና ክንምርኮስ\" ይብል ሓላፊ ክፍሊ ቴክኖሎጂ ናይ ዩናይትድ ቴክኖሎጂስ ፖወል ኤረሜንኮ። እቲ ዝዓበየ ጸገም፡ እቲ 80 ሚእታዊ ብጽላት ስነ-በረራ ዝመጽእ ብከላ በተን ንልዕሊ 1,500 ኪሎሜተር ዝጓዓዛ ናይ ገያሾ ነፈር`ዩ ዝፍጸም። እዚ ድማ ዝኾነት ብኤለክትሪክ እትሰርሕ ነፋሪት ክትሽፍኖ ዘይትኽእል ርሕቀት`ዩ። ኮይኑ ግን፡ ዓባይ ብሪጣኒያ ኣብ 2050 ብከላ ካርቦን ናብ ዜሮ ምውራድ ንዝብል ሸቶ ተቐቢላ ንምትግባር ፈላሚት ኣባል ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ [G7] ኮይና`ላ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ`ዚ ዓመት`ዚ 4.3 ቢሊዮን ኣየር ትኬት ዝሸጠን ኣብ 2037 ድማ 8 ቢሊዮን ቲኬታት ክሸይጥ ትጽቢት ዝግበረሉ ዋኒን መገዲ ኣየራት ዓቢ ብድሆ ክኾኖ`ዩ። ተቖጻጸርቲ`ውን ዓቢ ጸቕጢ ይገብሩ ኣለዉ። ትካል ድሕነት ስነ-በረራ ኤውሮጳ`ውን ነፈርቲ ብመጠን ዘስዕበኦ ብከላ ክምድበን ምዃኑ ከፍልጥ እንከሎ፡ ኖርወይን ሽወደንን ድማ ካብ 2040 ንንዮው፡ ኣብ ክሊ ኣየራተን ዝበራ ናይ ሓጺር ጉዕዞ ነፈርቲ ብኤለክትሪክ ጥራይ ዝሰርሓ ጥራይ ክኾና ከምዘለወን ዓሊመን ኣለዋ። እሞ ብስነ-መጎታዊ ኣረኣእያ፡ እቲ መፍትሒ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ነፈርቲ ማእላይ`ዶ ይኸውን? እዚ ግን ብርኡይ ምኽንያት ንመጻኢ ናይ`ቲ ጽላት ሰሓቢ\/ማራኺ ኣይኮነን። ምጋሽ ደው እንተዳኣ ኣቢልና፡ ዓለምና \"ኣብ ጸልማት\" ክትኣቱ`ያ ድማ ይብል ፖወል ስተይን ናይ ሮልስ ሮይስ። ደቂ ሰባት ካብ`ዚ \"ብሰላም ሓቢርካ ምንባር ካብ ምጋሽን ሓድሕድ ምርድዳእን ዝምንጭወሉ\" ዓለማዊ ቁጠባ እንተ`ደኣ ወጺእና ብዙሕ ከሻቕለኒ`ዩ፡ ምክንያቱ እዚ እቲ ደቂ ሰባት ክኽተልዎ ዘለዎም መገዲ ኣይመስለንን\" ድማ ይብል።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48905251"} {"headline":"ሩስያ፡ ኣብ ሓደጋ ነፋሪት ማላዥያ ኤምኤች17 ኢድ ኣለዎ ተባሂሉ","content":"እታ ኣብ 2014፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ዩክሬን ወዲቓ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት 'MH17' ተባሂላ እትጽዋዕ ነፋሪት ማላዥያ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ሩስያ ኢድ ከምዝለዎም ሓንቲ ኣህጉራዊት መርማሪት ጉጅለ ኣመልኪታ። ጸብጻብ እቲ ሓድሽ ምርመራ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቫላሚን ፑቲን፡ ምስቶም ኣብ ልዕሊ እታ ነፋሪት ሓደጋ ኣብጺሖም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ዳበይ ተዋጋእቲ፡ ኣብቲ እዋን ቀጥታዊ ርክብ ስልኪ ይገብር ነይሩ ተባሂሉ እዩ ዝኸስስ። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ነቲ ሓድሽ ጸብጻብ ነጺጉዎ። ወሃቢ ቃል እቲ ሚኒስትር፡ ማርያ ዛካሮቫ፡ እቶም ዓለምለኻውያን መርመርቲ እቲ ሓደጋ ቀዲሞም ንዝኣመትዎ ጥርጣር ንምርጓድ ጥራሕ ተጠቒሞምሉ ክብል፡ ኮነ ተባሂሉ ዝተበለጽሉ ኣጋጣሚ ከምዝኾነ ተዛሪቡ። እቶም መርመርቲ ካብ ደባይ ተዋጋእቲ ዩክሬይን ኣርባዕተ ሰባት ተሓተትቲ ክገብሩ እንለው፡ እዞም ጥርጡራት ኣብ መያዝያ 2020 ምናልባሽ ኣብ ዘይለውሉ ክፍረዶም እዩ። እቲ ኣብ ኔዘርላንድስ ዝመደበሩ ጉጅለ ምርመራ፡ ንሩስያ ብቐጥታ ኣይኮነን ምስ'ቲ ሓደጋ ተሓታቲት ዝገብራ ዘሎ። እንተኾነ፡ ካብ መንጎ 'ቶም ኣርባዕተ ተሓተትቲ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ምስታ ነፋሪት ዝጎዓዙ ንዝበረሩ ኣባለት ጉጅለ ሰራሕተኛታትን ተሳፈርትን ቅትለት ፈጺሞም ዝበሎም ክልተ ጥርጡራት ርክብ ነይሩዋ ብዝብል እዩ። እዚ ድማ ካብ ዝርርብ ስልኪ ዝተረኸበ መረዳእታ መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነ እቲ ጉጅለ የረድእ። ካብቲ ተረኺቡ ዝተብሃለ ዝርርብ ስልኪ፡ ሓደ መራሒ እቲ ደባይ ዋጋአይ፡ \"ትእዛዝ ዝቕበል ዘለኹ ካብ ሓንቲ ሃገር ሩስያ እየ፤ ናታቶም ድሌት ድማ እፍጽም\" ዝብል ይርከቦ። እቲ ጉጅለ ምርመራ ተሓታቲ ዝገበሮ ጉጅለ፡ ስርሒት ሩስያ ዝኾነን፡ ክጥለፍ ዘይኽእልን ዓይነት ቴሌፎን ይጥቀሙ ከምዝነበሩ ወሲኹ ሓቢሩ። ብቑጽሪ በረራ 'MH17' እትፍለጥ ዝነበረት ነፋሪት ማለዥያ፡ 283 ገያሾን 15 ሰራሕተኛታታን ለኪማ ድሕሪ ምሕምሻሻ መንግስቲ ዩክሬንን ተቓወምቱን በቲ ጉዳይ ንሓድሕዶም ክኸሱ ከምዝጸንሑ'ዩ ዝግለጽ። ዕላማ እዚ ብኔዘርላንዳዉያን ክኢላታት እትምራሕ ኣህጉራዊት መርማሪት ጉጅለ ነቲ ሓደጋ መን ተሓተታኢ ከምዝኾነ ንምጽራይ እዩ። መንግስቲ ሩስያ ግን፡ እቲ ይካየድ ኣሎ ዝተባህለ ምጽራይ ኣይቕበሎን፤ ነታ ሃር ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ንምጽላም ዝዓለመ ሽርሒ እዩ ዝብሎ።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50429663"} {"headline":"ቺለ፡ 38 ተሳፈርቲ ዝሓዘት ወተሃደራዊት ነፋሪት ጠፊኣ","content":"ሓይሊ ኣየር ቺለ፡ 38 ሰባት ሒዛ ናብ ኣንታርቲካ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪቱ ከም ዝጠፈአት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ። እዛ ሲ-130 ዝዓይነታ ጉዕዞ ነፋሪት፡ ካብ ፑነታ ኣሬና ብኣቆጻጽራ ቺለ ሰዓት 4:55 ናይ ምሸት ምስ ነቐለት ሰዓት 6:00 ድሕሪ ቐትሪ ምስ ማእከል ምቁጽጻር በረራ ዝነበራ ርክባት ከም ዘቋረጸት እቲ መግለጺ ይሕብር። ካብቶም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ እቶም 17 ኣባላት ክፍሊ በረራን፡ 21 ተሳፈርትን ጂስቲካዊ ቀረባት ንምብጽጻሕ'ዮም ዝጓዓዙ ነይሮም። ሓይሊ ኣየር ቺለ፡ ነዛ ዝጠፈአት ነፋሪት ናይ ምድላይ መስርሕ የካይድ ከም ዘሎ ሓቢሩ። ኢ.ኤፍ.ኢ ዝተባሃለ መደበር ዜና ሰለስተ ካብቶም ተሳፈርቲ ሲቪል ምኳኖም ጠቒሱ ኣሎ። ሰብ መዚ ቺለ እታ ነፋሪት፡ ኣብ ደሴት ንጉስ ጆርጆ ዝርከብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ፕረዚደንት ኢድዋርዶ ፍረይ ሞንታለቫ ተበጊሳ እናበረረት እነከላ ከም ዝጠፈአት እዮም ዝሕብሩ። ፕረዚደንት ቺለ ሰበስትያን ፒነረ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ምጥፋእ ናይዛ ነፋሪት 'ከም ዘርመሞ' ብምሕባር፡ ነቲ ናይ ምድላይ መስርሕን ቀጻሊ ምዕባለታቱን ኣብ ርእሰ ከተማ ሳንትያጊ ኣብ ዝርከብ መደበር ሓይሊ ኣየር ኮይኑ ይከታተሎ ከም ዘሎ ሓቢሩ።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50724192"} {"headline":"ኣብ ገመድ ኤሌክትሪክ ተንጠልጢሉ ዝተረፈ ኣብራሪ","content":"ኤፍ-16 ተባሂሉ እትጽዋዕ ነፋሪት-ውግእ እናብረረ ሓደጋ ዘጋጠሞ ኣብራሪ ኣብ ገመድ ኤሌክትሪክ ተሰቒሉ ብሂወት ተሪፉ። እዛ ናይ ቤልጂም ዝኾነት ነፋሪት ኣብ ሰሜን ምዕራብ ፈረንሳይ ብዘጋጠማ ሓደጋ'ያ ወዲቓ። ካብታ ነፋሪት ንባዕሉ ብሕይወት ክተርፍ ዝፈተነ ሓደ ካብቶም ኣብረርቲ፡ ኣብቲ ሓያል 'ቮልቴጅ' ዝነበሮ ኤሌክትሪክ ገመድ ተንጠልጢሉ ተሪፉ። ናይቲ ከባቢ ሓደ ጋዜጣ ከምዝበሎ፡ እቲ ገመድ ኤሌክትሪክ 250 ሺሕ ቮልት ዝዕቀን ሓይሊ ነይሩዎ። እዚ ካብ ሓደ ሓደጋ ከምልጥ ኣብ ካሊእ ሓደጋ ዝወደቐ ኣብራሪ፡ ብትካል መድሕን ሕይወት ፈረንሳይ እዩ ብህይወት ተሪፉ። ካብቲ ገመድ ኤሌክትሪክ ንምውራድ ክልተ ሰዓት ወሲድሉ። ክልቲኦም እቶም ኣብረርታ ግን ዝተወሰነ ጉድኣት ይብጸሐዮም 'ምበር ብሕይወት ክተርፉ ክኢሎም። እታ ነፋሪት ቅድሚ ናብ መሬት ምውዳቓ፡ እንተወሓደ ናሕሲ ሓደ ገዛ ተንኪፋ ነይራ። እታ ናይ ውግእ ነፋሪት 500 ሜትሮ ካብ መሬት ርሒቓ ትበርር ዝነበረት እንትኸውን፡ ኣብ ልምምድ እያ ነይራ ተባሂላ። \"እቲ ኤሌክትሪክ ገመድ ክቖርጽዎ ነይሩዎም። ይኹን'ምበር ክሳብ ሽዑ ምስቲ ኣብራሪ ብስልኪ ኣውጊዖም እዮም \" ክብል ሓላፊ ሓይሊ ኣየር ቤልጂም ገሊጹ። ገለ ኣእዋም በቲ ሓደጋ ዝተወሰነ ባርዕ ከምዘጋጠሞም ናይቲ ከባቢ ነበርቲ ተዛሪቦም። እታ ነፋሪት ወተሃደራዊት እንተኾነት'ኳ፡ ኣብ ውሽጣ ዝኾነ ኣጽዋር ኣይነበረን ተባሂሉ።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49761634"} {"headline":"ኩባንያ ቦይንግ፡ ንሓንቲ 737 ማክስ ነፋሪት ሓድሽ ስም ሂቡ","content":"ንመገዲ ኣየር ሪያንኤይር ዝተዳለወት ነፋሪት ቦይንግ 737 ማክስ ኣብ ናይ ቅድሚት ክፋላ [ኣፍንጫ] ዝተጽሓፈ ስያመ ሞዴል ተቐይሩ ተራእዩ። እታ፡ ኩባንያ ቦይንግ ነፈርቲ ካብ ዘፍርየሉ ጋራዥ ወጺኣ ትረኣይ ነፋሪት፡ 737 ማክስ ዝብል ስማ ብ737-8200 ከም ዝተተክአ ኣብ ትዊተር ዝተዘርግሑ ስእልታት የመልክቱ። እዚ ከኣ እታ ፈተናታት ዝበዝሓ ማክስ፡ ብድሕሪ እቶም ዘጋጠምዋ ክልተ ከበድቲ ሓደጋታት ስማ ብምቕያር ናብ ዕዳጋ ንምቕራብ ከም ዝተሓሰበ ግምታት ይወሃቡ ኣለዉ። ቦይንግን መገዲ ኣየር ሪያንኤይርን ግን ብዛዕባ'ዚ ዛጊት ርእይቶ ኣይሃቡን። ብድሕሪ'ቶም ምኽንያት ሞት 346 ሰባት ዝኾኑ ክልተ ሓደጋታት ነፈርቲ መጓዓዝያ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኢንዶነዢያን፡ ነፈርቲ 737 ማክስ ካብ በረራ ተኣጊደን ይርከባ። ሪያንኤይር 135 ሞዴላት ቦይንግ ዝኾና ነፈርቲ ንምዕዳግ ኣዚዙ'ሎ። ካብዚአን ነተን ቀዳሞት ሓሙሽተ ኣብ ዝመጽእ ቀውዒ ክርከበን'ዩ። ሪያንኤይር ኣዝዩ ብዝሓሰረ ዋጋ ኣገልግሎት ዝህብ ናይ ኣየርላንድ መገዲ ኣየር'ዩ። ቀዲሙን ድሒሩን ዝነበረ ኩነታት ዘርእይ ናይ ሓንቲ ነፋሪት ርያንኤይር ስእልታት፡ ንመስርሕ ፍርያት ቦይንግ ኣብ ዝከታተል 'ዉዲስ ኤሮ ኢሜጅስ' ኣብ ዝተበሃለ ናይ ትዊተር ገጽ ተጠቂዑ'ሎ። እቲ ስእሊ፡ ሓንቲ ዓባይ ስርሓት ቦይንግ 8 [ቦይንግ ኤይት] ነፋሪት ሪያንኤይር፡ ዋሺንግተን ኣብ ዝርከብ ቦይንግ ነፈርቲ ኣብ ዘፍርየሉ ቀጽሪ ኮፍ ኢላ የርእይ። እቶም ስእልታት ከኣ፡ ነባር ስም ቦይንግ ክለግስ ተገይሩ ብሓድሽ ክትካእ ከም ዘርእዩ እቲ ኣብ ትዊተር ዝተጠቀዐ መልእኽቲ ይሕብር።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48999897"} {"headline":"ኣስከሬን ግዳያት ሓደጋ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ነናብ ሃገሮም ይለኣኽ ኣሎ","content":"ኣስከሬን ግዳያት ሓደጋ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ነናብ ሃገሮም ይለኣኽ ኣሎ። ድሕሪ ሸውዓተ ወርሒ ብዝተገብረ መርመራ ዘርኢ ህዋስ (DNA)፡ ኣካላት (ኣስከሬን) ናይቶም ግዳያት ምስተለለየ እዩ እዚ ከይዲ ምፍናው ዝትግበር ዘሎ። ኣብታ መብዛሕተኦም ዜጋታት ኬንያ ኣሳፊራ ዝነበረትን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ዝወደቐትን ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ዜጋታት ካልኦት 30 ሃገራት'ውን ነይሮም። ኣብቲ ሓደጋ 157 ሰባት ከምዝሞቱ ይዝከር። ንፈለማ እዋን ኣስከሬን ቤተሰቦም ክርእዩ ዝተገብሩ ኬንያውያን፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ኣብ ከቢድ ሓዘን ኮይኖም እዮም ኣሕሊፎምዎ። በቲ ዝተኻየደ መርመራ ዲ-ኤን-ኤ፡ ክልለዩ ዘይተኽኣሉ ኣካላት ናይቶም መወትቲን ገለ ንብረትን ድማ፡ እታ ነፋሪት ኣብ ዝወደቐትሉ ከባቢ ኣብ ዝስራሕ መዘክር ከምዝዓርፍ ሰብ መዚ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ገሊፆም። እታ ቦይንግ 737 ማክስ-8 ዝዓይነታ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ናይታ ሂወት 190 ሰባት ዝቐዘፈ ተመሳሳሊ ሓደጋ ዘጋጠማ ተመሳሳሊት ስርሓት ዝኾነት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢንዶኔዥያ እያ ወዲቓ።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50038937"} {"headline":"ህንዲ፡ ዳስ ብምፍራሱ 14 ሰባት ሞይቶም፡ 50 ቆሲሎም","content":"ትማሊ ሰንበት ኣብ ህንዲ ኣውራጃ ራጃስታን ናይ ሓጺን ዳስ ብምፍራሱ ብውሕዱ 14 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 50 ሰባት ቆሲሎም። እቶም ዝበዝሑ በቲ ምስቲ ሓጺን ተታሓሒዙ ዝነበረ ገመድ ናይ ኤለክትሪክ ክሞቱ እንከለዉ እቶም ዝተረፉ በቲ ዝወደቐ ሓጻዊን ናይቲ ዳስ ተጸቒጦም ከም ዝሞቱ ሮይተርስ ሓቢሩ። ሂንዱስታን ታይምስ ዝተብሃለት ማዕከን ዜና ህንዲ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ዳስ ሃይማኖታዊ ጽንብል ንምክያድ ኣስታት 300 ሰባት ከም ዝነበሩ ጸብጺባ። ሚኒስተር ምክልኻል ሓደጋታት ህንዲ ባህንዋር ላል ማግህወል \"እቶም ነቲ ጽንብል ዘዋሃህዱ ዝነበሩ ሰባት እዚ ኩሉ ጠሊ እንከሎ ንምንታይ ነቲ ኤለትሪክ ዘየጥፍእዎ\" ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ ኣሎ። ሚኒስተር ባህንዋር ላል ማግህወል ኣስዒቡ ነዚ ዝተከሰተ ሓደጋ ሱር ጠንቑ ንምፍላጥ መርመራ ተጀሚሩ ከም ዘሎ ሓቢሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናረንደራ ሞዲ ኣብ ተዊተሩ ኣብ ዘሰፈሮ ጽሑፍ፡ ነቲ ሓደጋ 'ዘይተገመተ' ብምባል ነቶም ዝተጎድኡ ምሕረት ከውርደሎም ብምምናይ ንስድራ ግዳያት ጽንዓት ተመንዩ","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48741621"} {"headline":"ሓደጋ ነፋሪት ኢትዮጵያ፡ ኢቲ 302 ኣብ ናይ መወዳእታ ሽድሽተ ደቓይቕ","content":"ቅድሚ ሓደ ወርሒ፡ ልክዕ ከምዛ ሎሚ መዓልቲ፡ ኣብ ልዕሊ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነት ቁፅሪ በረራ ኢቲ-302 ዝበፅሐ ሓደጋ ንኢትዮጵያውያንን ምሉእ ዓለምን ዘሰንበደ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ንመንቀሊ እቲ ሓደጋ ክምርምር ዝፀንሐ ኣጻረዪ ጉጅለ፡ እታ ነፋሪት ዝወደቐትሉ ምኽንያት ዘረድእ ቀዳማይ ደረጃ ውፅኢት ዕላዊ ምግባሩ ይዝከር። ሕዚ ድማ ብመሰረት ዓለምለኸ ኣሰራርሓ ዝተፈላለዩ ኣካላት ተሳቲፎምሉ ዝተበሃለ፡ ነቲ ኣብ መፈጸምታ ሽድሽተ ደቓይቕ ዝነበረ ኩነታት ኢቲ-302 ብዝርዝር ዝገልፅ መረዳእታ ወፂኡ'ሎ። እቲ ቀዳማይ ደረጃ ውፅኢት ምርመራ፡ ምስ ተቖፃፀርቲ ትራፊክ ኣየር ዝተገበረ ዝርርብ፣ ኣብ መኽዝን መረዳእታ (ብላክ ቦክስ) ዝተረኸበ መረዳእታን ኣብ ናይ ኣብረርቲ ክፍሊ (ጋቢና) ዝተቐድሐ ድምፅን ዘካተተ'ዩ። ስሙ ክግለፅ ዘይደለየ ካፕተይን ነቲ ቀዳማይ ደረጃ ውፅኢት ምርመራ መሰረት ብምግባር፡ እተን ናይ መወዳእታ ሽድሽተ ደቓይቕ እንታይ ከም ዝመስላ፡ ንቢቢሲ ኣረዲኡ። ሰንበት ንጉሆ ባሕቲ መጋቢት-2011 ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ (10 መጋቢት 2019 ኣ.ኤ)፡ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቦይንግ 737 ማክስ-8፡ ቁፅሪ በረራ ኢቲ 302፡ 8 ኣባላት በረራን 157 ተጓዓዝትን ኣሳፊራዘ ናብ ኬንያ-ናይሮቢ ንምብራር ትዳሎ ነይራ። [እቲ ሰዓት ብኣቆፃፅራ ኢትዯጵያ'ዩ] ንጉሆ 02፡37፡34- ተቖፃፀርቲ ትራፊክ ኣየር እታ ነፋሪት በረራኣ ንኽተካይድ ብ119.7 ሀርዝ፡ ብራዳር ኣቢልካ ርክብ ንኽፍፀም ፍቓድ ስለዝሃቡ፡ እታ ነፋሪት ንኽትብገስ ተዳልያ። ተቖፃፀርቲ ትራፊክ፡ ነፋሪት ንኽትብገስ ፍቓድ ቅድሚ ምሃቦም ዝተፈላለዩ ቅድመ ኩነታት ከም ዝተማልኡ'ዮም ዘረጋግፁ። ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ዝብገሳን ዝዓልባን ነፈርቲ ከይህልዋ፣ ንተጓዓዝቲ ኣብ እዋን በረራ ዝቐርቡ ናይ ድሕነት መግለፅታት ከም ዝተወሃቡን ካልኦት ተመሳሰልቲ ጉዳያትን ከረጋግፁ ኣለዎም። ብድሕሪኡ እታ ነፋሪት ሞተር ኣርሲና ናብ እትለዓለሉ ፅርጊያ (ራንወይ) 07R (07 የማን) ክትፅጋዕ ጀሚራ። 02፡37፡34 - ዋና ካፒቴይን ነታ ነፋሪት የብርር ከም ዘሎ ገሊፁ። 02፡38፡44 - እታ ነፋሪት ምስ ተበገሰት ሽዑ ንሽዑ፡ ማለት ካብ መሬት ክትለዓል ምንቅስቓስ ካብ ዝጀመረትሉ ድሕሪ ሓደ ደቒቕን 10 ካሊትን (ሰከንድን)፡ ኣብ ናይታ ነፋሪት ፀጋማይን የማናይን ክንፊ 'ኣንግል ኦፍ ኣታክ ሰንተር' ዝተመዝገበ መረዳእታ ዝተጋገየ ከም ዝኾነ የርእይ። 02፡38፡46 - ሓጋዚ ኣብራሪ ''Master Caution Anti-Ice'' መጠንቀቕታ ከም ዝመፅአ ንዋና ካፒተይን እናገለፀሉ ተሰሚዑ። ማስተር ኮሽን ማለት ኣብ እዋን በረራ፡ ሓንቲ ነፋሪት ዝኾነ ዓይነት ፀገም ከጋጥም ከሎ ንኣብረርቲ ሓበሬታ ዝህብ ኣካል'ዩ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ዝበፅሖም መጠንቀቕታ ነታ ነፋሪት ካብ ከቢድ ዛሕሊ ዝሕልዋ ኣካል ፀገም ከም ዘጋጠሞ እቲ ፓይለት የረድእ። 02፡38፡58 - ዋና ኣብራሪ 'ኮማንድ' ብዝብል መምርሒ ነታ ነፋሪት ኣብ ስርዓት 'ኣውቶ ፓይለት' ክገብራ'ኳ እንተፈተነ፡ እታ ነፋሪት ኣብ 'ኣውቶ ፓይለት' ከም ዘይኮነት ዝሕብር መጠንቀቕታ ተራእዩ። 'ኣውቶ ፓይለት' ማለት እታ ነፋሪት ብዝተዳለወላ ኣንፈት ጥራሕ ንኽትበርር ዝገብር ሜላ'ዩ። 02፡39፡00 - ዋና ኣብራሪ \"ኮማንድ' ብዝብል መምርሒ ነታ ነፋሪት መሊሱ ናብ ስርዓት 'ኣውቶ ፓይለት' ከእትዋ ፈቲኑ፡ ይኹን ደኣ'ምበር ድሕሪ ሓደ ካሊት (02፡39፡01) እታ ነፋሪት ናብቲ ስርዓት ከም ዘይኣተወት መጠንቀቕታ ዝህብ መልእኽቲ ተራእዩ። 02፡39፡06 - ድሕሪ ሓሙሽተ ካሊት (ሰከንድ) እቲ ሓጋዚ ኣብራሪ ካብ ዋና ኣብራሪ ብዝረኸቦ መምርሒ መሰረት ምስ ክፍሊ ቁፅፅር ትራፊክ ኣየር ርክብ ገይሩ። ሽዑ ''SHALA 2A departure crossing 8400 ft and climbing FL 320'' ክብል ሪፖርት ኣቕሪቡ። 'ሻላ 2ኤ' ማለት ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ናይሮቢ ዝወስድ ዝተወሰነ ኣንፈት በረራ ኮይኑ፡ 8400 ጫማ (ፊት) ብራኸ የቋርፁ ከም ዘለዉን 32000 ጫማ ብራኸ ሒዞም ከም ዝበሩን ዝገልፅ መረዳእታ'ዩ ካብቲ ሓጋዚ ኣብራሪ ቀሪቡ። 02፡39፡45 - ዋና ኣብራሪ ፍላፕስ ኣፕ (Flaps up) ክብል ንሓጋዚኡ መምርሒ ሂቡ። ሓጋዚኡ'ውን ነቲ ትእዛዝ ተቐቢሉ። 'ፍላፕስ ኣፕ' ክፍሊ ኣካል ናይታ ነፋሪት ኮይኖም፡ ነፋሪት ካብ መሬት ንኽትለዓል ኣብ ዝፍፀም ተግባር እኹል ናህሪ ንኽትረክብ ዘኽእሉ እዮም። ቢቢሲ ዘዘራረቦ ፓይለት ከም ዝበሎ፡ ልክዕ ከምቲ ካፕተይናት ኢቲ 302 ዝገበርዎ ዝኾነት ነፋሪት ካብ መሬት ምስተለዓለትን እኹል ብራኸ ምስሓዘትን እቶም ፍላፕስ ክእከቡ'ዩ ዝግበር። 02፡39፡50 - እታ ነፋሪት ኣንፈታ ካብ 072 ናብ 197 ዲግሪ ክትቕይር ጀሚራ። ሽዑ እታ ነፋሪት በቲ ዝተፈቐደላ ኣንፈት በረራ ንኽትፀንሕ ዋና ኣብራሪ ትእዛዝ ሂቡ። 02፡39፡55 - እታ ነፋሪት ካብ ኣውቶ ፓይለት ተፈልዩ ('ዲስ ኢንጌጅ') ገይሩ። 02፡39፡57 - ሓጋዚ ኣብራሪ ካብ ዋና ኣብራሪ ብዝተወሃቦ ትእዛዝ መሰረት፡ ነታ ነፋሪት ክቆፃፀሩ ዘይክእለሉ ፀገም ከም ዘጓነፎም ንተቖፃፀርቲ ትራፊክ ኣየር ኣፍሊጡ። 02፡40፡03- ''Ground Proximity Warning System (GPWS)'' ዝበሃል ስርዓት እታ ነፋሪት 'ንቑልቁል ኣይትደፋእ' (DON'T SINK) ዝብል መጠንቀቕታ ኣርእዩ። እዚ ክፋል፡ ነፋሪት ምስ መሬት ወይ ካልእ ነገር ናይ ምግጫው ሓደጋ ኣብ ቅድሚኣ ከም ዘሎ ንምሕባር ንኣብረርቲ መልእኽቲ ክህብ ዝተዳለወ'ዩ። 02፡40፡03 ክሳብ 02፡40፡31 ኣብ ዘለዉ 28 ካሊት (ሰከንድ) ሰለስተ ናይ ''DON'T SINK'' መጠንቀቕታታት ተመዝጊቦም። 02፡40፡27 - ሓጋዚ ኣብራሪ ንኣፍንጫ (ናይ ቅድሚት ኣካል ነፋሪት) ከቕንዖ ካብ ዋና ኣብራሪ መምርሒ ተዋሂብዎ። 02፡40፡44 - ዋና ኣብራሪ ሰለስተ ግዜ 'ኣቕንዓያ' ('ፑል ኣፕ') ኢሉ። ሓጋዚ ኣብራሪ ድማ ነቲ ዝተበሃሎ ገይሩ። 02፡40፡50 - ሓጋዚ ኣብራሪ ካብ ዋና ኣብራሪ ብዝተወሃቦ መምርሒ መሰረት ምስ ተቖፃፀርቲ ብምርኻብ፡ ኣብ 14 ሽሕ ጫማ ብራኸ ክፀንሑ ከም ዝደልዩን ነቲ በረራ ምቁፅፃር ከም ዘይከኣሉን ኣፍሊጡ። 02፡41፡30 - ዋና ኣብራሪ ንሓጋዚኡ 'ነቕነዓያ' ክብል ሓቲቱ። ከምቲ ዝተበሃሎ ድማ ገይሩ። 02፡42፡10- ሓጋዚ ኣብራሪ ካብ ዋና ኣብራሪ ንዝተወሃቦ መምርሒ መሰረት ብምግባር፡ ምስ ተቖፃፀርቲ ትርፊክ ኣየር ብምርኻብ ክምለሱ ከም ዝደልዮ ሓቢሩ። ካብ ተቖፃፀርቲ ድማ ፍቓድ ረኺቡ። 02፡42፡30 - መቆፃፀሪ ትርፊክ ኣየር፡ ቁፅሪ በረራ ኢቲ 302 ናብ የማን ዘይራ 260 ዶግሪ ንኽትሕዝ ኣዚዙ። ሓጋዚ ኣብራሪ ነቲ ትእዛዝ ተቐቢሉ። 02፡43፡04 - ነታ ነፋሪት ብሓባር ንኸቕንዕዋ፡ ዋና ኣብራሪ ንሓጋዚኡ ሓቲቱ። ፀኒሑ ከኣ እታ ነፋሪት ብቲ ዝድለ ደረጃ ክትቐንዕ ከም ዘይከኣለት ተዛሪቡ። ኣፍንጫ ናይታ ነፋሪት ክሳብ 40 ዲግሪ ንቑልቁል ተደፊኡ። እቲ ንቢቢሲ መብርሂ ዝሃበ ኣብራሪ ከም ዝበሎ እንተኾይኑ፡ ከከም ዓይነት እተን ነፈርቲ፡ ዝኾነት ነፋሪት ናብ መሬት ንምዕላብ ክትቐርብ ከላ፡ ክሳብ 3 ዲግሪ ጥራሕ ናይ ቅድሚት ኣካላ (ኣፍንጫ) ትሕት ይብል። 02፡43፡43 እቲ ድምፂ ምቕዳሕ ተቛሪፁ። ክፍሊ ቁፅፅር ትራፊክ በረራ፡ እታ ነፋሪት ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ከም ዘጋጠማ ንቢሮ ምርመራ ሓደጋ ነፈርቲ ኣፍሊጡ። ድሕሪ ቀሩብ ደቓይቕ ድማ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ዝገልጽ ዜና ተቓሊሑ። ኣብረርቲ እቲ ግቡእ ቅደም ሰዓብ እንተፈፀሙ'ኳ፡ ነቲ ብተደጋጋሚ ዘጋጠሞም ናይታ ነፋሪት ኣፍንጫ ንቑልቁል ምድፋእ ሓደጋ ክቆፃፀርዎ ኣይከኣሉን።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-47876938"} {"headline":"ኣሜሪካ፡ ኣብ ቴክሳስ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምውዳቕ ነፋሪት 10 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ቴክሳስ-ዳላስ ኣብ ልዕሊ መጽለሊ ነፈርቲ (ሃንገር) ብዝተሓምሸሸት ነፋሪት 10 ሰባት ሞይቶም። እታ ክልተ ሞተር ዘለዋ ቢችክራፍት ቢኢ-350 ኪንግ ኤይር ዓይነታ ንእሽተይ ነፋሪት ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣዲሶን ምስ ተበገሰት ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ'ያ ወዲቓ። ናይቲ ከባቢ ክፍሊ ምክልኻል ሓደጋ ባርዕ ከም ዝሓበሮ፡ እታ ነፋሪት ኣንፈታ ብምቕያር ኣብ ልዕሊ እቲ ሰፈር ነፈርቲ ወዲቓ። ሰራሕተኛታት እዋን ሓደጋ ቀልጢፎም ናብቲ ቦታ እንተበጽሑ'ኳ፡ ካብቲ ሓደጋ ብህይወት ዝተረፈ ሰብ ግን ኣይረኸቡን። ኣብ 2018 መጠን ሓደጋ በረራ ነፈርቲ ወሲኹ መኽዘን ሓበሬታ (ብላክ ቦክስ) እንታይ እዩ? ፍርሒ በረራ ኣየር ብኸመይ ክንምክቶ ንኽእል? መንነት ግዳያት እውን ክሳብ ሕጂ ወግዓዊ ኣይተገበረን። ዳኛ ግዝኣት ዳላስ-ቴክሳስ ክለይ ጀንኪንስ \"ናብቲ ቦታ ከይደ መብርሂ ተዋሂቡኒ'ዩ። ንስድራ በቲ ዘሕዝን ሓደጋ ህይወቶም ዝሰኣኑ ግዳያት ጸሎት ግበሩሎም። መንነት ግዳያት ንምልላይ እናተሰርሐ'ዩ\" ክብል ኣብ ትዊተሩ ጽሒፉ። እታ ነፋሪት ኣብ ልዕሊ'ቲ ሰፈር ነፍረቲ ክትወድቕ ከላ ኣብ ውሽጢ ዝጸንሐ ሰብ ከም ዘይነበረ ተገሊጹ'ሎ። ስሙ ዘይተገለጸ ምንጪ ንመደበር ቴሌቪዠን ኣሜሪካ-ሲቢኤስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ነፋሪት ናይ ሞተር ጸገም ኣጋጢምዋ ከም ዝነበረ ተዛሪቡ። ይኹን'ምበር ብዛዕባ'ዚ ዝተወሃበ ወግዓዊ መግለጺ የለን። ምርመራ ይካየድ ከም ዘሎ ግን ተፈሊጡ።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48822401"} {"headline":"ንስድራ ግዳያት ሓደጋታት ነፈርቲ ኢትዮጵያን ኢንዶኔዢያን ብቦይንግ ዝቐረበ ገንዘብ፡ ቁጠዐ ፈጢሩ","content":"ኩባኒያ መፍረዪ ነፈርቲ ቦይንግ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ኢንዶኔዥያን ሓደጋ ገጢሙወን ብዝወደቓ ክልተ ነፈርቲ 737 ማክስ 8፡ ግዳያት ንዝኾኑ ስድራ ዝወሃብ 100 ሚልየን ዶላር ገንዘብ ከም ዘዳለወ ትማሊ ኣፍሊጡ። ቦይንግ፡ እዚ ገንዘብ ኣብ ክልቲአን ነፈርቲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ንዝሞቱ 346 ግዳያት፡ ንስድርኦም ዝከፋፈል እንትኸውን፡ እቲ ገንዘብ ንስድራ መወትቲ ናይ ናብራን ትምህርትን ወፃእታት ከም ዝሽፍን ገሊፁ። ካብ ኣዲስኣበባ ናብ ናይሮቢ ክትጓዓዝ ከላ ኣብ ዝወደቐት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ በዓልቲቤት ኣይተ እያሱ ተሾመ፡ ካብ ሞንጎ እቶም ተጓዓዝቲ ሓንቲ ነይረን። በቲ ሓደጋ ግን ህይወተን ሓሊፉ። ቦይንግ ነዚ ውሳነ ምስ ኣሕለፈ፡ ንቢቢሲ ርኢቶኦም ዝሃቡ በዓል ቤተን ኣይተ እያሱ፡ \"ንዓይ ኣይኮነን'ዶ 100 ሚልየን፡ 100 ቢልየን'ውን [ዶላር] ንሰበይተይ ኣይምልሰለይን\" ኢሎም። \"ሓደ ትካል ፀገም ዘለዎ ፍርያት ናብ ዕዳጋ ብምእታው፡ ስድራና እዩ ኣስኢኑና። ህይወት ድማ ብገንዘብ ዝትመን ኣይኮነን\"። ካብዚ ብተወሳኺ፡ \"እታ ነፋሪት ፀገም ከም ዘለዋ ይፍለጥ እዩ፤ ድሕሪ እቲ ኣብ ፈለማ ዘጋጠመ ሓደጋ ከቋርጹዎ ምኽኣሉ። ንሶም ግና ትርፎም ብምሕሳብ፡ ኣብ ህይወት ሰብ ፈሪዶም\" ክብሉ ቁጠዐኦም ገሊፆም። ህይወት ሰብ ብገንዘብ ኣይልወጥን ዝበሉ ኣይተ እያሱ፡ ገንዘብ እንተይኮነስ ቅድሚ ኩሉ ፍትሒ ከም ዝደልዩ፡ ኣምሪሮም ተዛሪቦም። ኣብ ኣሜሪካ ቴክሳስ ዝርከቡ ኖሚ ሁሴን፡ ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ሓደ ሓደ ስድራ ብምውካል ይሕለቑ ኣለዉ። ብቦይንግ ዝቐረበ ሓሳብ፡ ስድራ ግዳያት ንዝሰኣንዎ ኣብ ግምት ዘየእተወን፡ ካሕሳ ኢልካ ንምፅዋዕ እውን ከምዘይምጥን ሓቢሮም። እቶም ጠበቓ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ገለ ዓማዊሎም በቲ ዝቐረበ ካሕሳ ሕጉሳት ኣይኮኑን፤ \"ቦይንግ ብፅቡቕ ዋጋ ይሸጦ ዝነበረ ነፋሪት ንምክልኻል፡ ብህይወት ሰብ ጠላዕ ተፃዊቱ፤ ንሳቶም ትርፎም እዮም ኣቐዲሞም\" ኢሎም። ዛጊድ ንሸውዓተ ስድራ ግዳያት ወኪሎም ኣብ ቤት-ፍርዲ ይካትዑ ከም ዘለዉ ዝገለፁ እቶም ጠበቓ፡ ሓደሓዲኦም ዓማዊሎም ክሳብ 276 ሚልየን ዶላር ዝበፅሕ ካሕሳ ከም ዝሓተቱ ሓቢሮም። ካልእ በዚ ሓደጋ፡ በዓልቲ ቤቶም፣ ጓሎም ሰለስተ ደቂ ጓሎምን ዝሰኣኑ ኬንያዊ ጆን ኩዊንዶስ ብወገኖም፡ ስድራ ግዳያት ጉጅለ ዋስኣፕ ብምፍጣር ከም ዝራኸቡን፡ ዋላ ሓደ ገንዘብ ንዘይምቕባል ከም ዝተሰማምዑ ንቢቢሲ ገሊፆም። ቦይንግ ክሳብ ሕዚ ብውልቀኦም ከም ዘየዛራረቦምን፡ ብዛዕባ እቲ ቦይንግ ክህቦ ቐሪበዮ ኣለኹ ዝበሎ ገንዘብ ብዜና ከም ዝሰምዕዎምን ድማ ተዛሪቦም። ኣቦወንበርን ዋና ኣካያዲ ስራሕን ቦይንግ ዴኒስ ሙይልንበርግ \"ቦይንግ ኣብ ክልቲኦም ሓደጋታት ንዝጠፍአ ህይወት ብጣዕሚ ሓዚኑ እዩ። እዚ ዝጠፍአ ህይወት፡ ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት እውን ዝርሳዕ ኣይኮነን\" ኢሎም። እዚ ገንዘብ ስድራ ግዳያት ኣብ ቤት-ፍርዲ ንዘቕረብዎ ክሲ ዝተውሃበ እንተይኮነስ፡ ካብ ፍርዲ ወፃኢ ዝውሃብ ከም ዝኾነ ተገሊፁ።","category":"ሓደጋታትን ተጋንፎታትን በረራ አየር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48872345"} {"headline":"ኤርትራውያን ተጓዓዝቲ ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘጋጥሞም ዘሎ እንታይ እዩ?","content":"ኣብዚ ሰሙን፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ንዝሓዙ ተጉዓዝቲ 'ብኦንላይን ቼክ ኢን ከይገብሩ ኣጊዱ' ዝብሉ ሓበሬታታት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ክወጽኡ ቀኒዮም። እቲ ጸገም ግን ኣብ ‘ሲስተም’ ዝተፈጥረ እዩ ክብል እቲ መገዲ ኣየር ንቢቢሲ ሓቢሩ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ብዘጋጠሞ ቴክኒካዊ ጸገማት፡ ኤርትራውያን ተጉዓዝቲ ብመገዲ ኢንተርነት ኩነታት ጉዕዞ ከረጋግጹ [ቼክ ኢን] ከም ዘይክኣሉ'ዩ ኣፍሊጡ ዘሎ። እቲ ጸገም ግዝያዊ ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ ኤርትራውያን ተጉዓዝቲ፡ ብኦን ላይን ቼክ ንከይገብሩ ኣጊዱ፣ ፓስፖርት ኤርትራ’ውን ካብ ሲስተሙ ክወጽእ ገይሩ ዝብሉ ወረታት ምውጽኦም ልክዕ ኣይኰነን ኢሉ። ስለ ዝዀነ ድማ፡ እቲ ዝተፈጥረ ጸገም ምስቲ ዓለምለኸ ማሕበር መጓዓዝያ ኣየር [ኣይቲኤ] ዝጥቀመሉ ‘ቲማቲክ’ ዝተባህለ ስርዓት ዝተሓሓዝ ከም ዝዀነ ገሊጹ። ኣይቲኤ ቲማቲክ፡ መገዲታት ኣየርን ወኪላት ጉዕዞን ኣብ ዝዓርፉሉን ዝሓልፉሉን መዓርፎ ነፈርቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ንተጉዓዝቲ ኣድላዪ ሰነድ ጉዕዞ ንምርግጋጽ ዝጥቀሙሉ ስርዓት’ዩ። ካብዚ ዝቐረበ ሓበሬታ ዘይተማልአ ብምዃኑ፡ ኣብቲ ብመገዲ ኢንተርነት ዝግበር ቼክ ኢን ግዝያዊ ጸገም ተፈጢሩ ተባሂሉ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝህቦም ኣገልግሎታት ዲጂታላውን ብኢንተርነት ዝተሓገዘን ክዀኑ ከም ዝገበረ ብምግላጽ፡ ኤርትራውያን ተጉዓዝቲ ካብ ካልኦት ተጉዓዝቲ ዝተፈለየ ኣገልግሎት ከም ዘይወሃቦም ሓቢሩ። “ኩሎም ተጉዓዝቲ ኣብ ኢንተርነት ኣትዮም ቼክ ኢን ንክገብሩን ምቹእ ኩነታት ንክፍጠርን ንደሊ ኢና” ይብል። ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ጸገም ንምፍታሕ ይስራሕ ምህላው ዘመልከተ እቲ መገዲ ኣየር፡ ኤርትራውያን ተጉዓዝቲ’ውን ኣብ ቀረባ ብኦንላይን ቼክ ኢን ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ኣብቲ ብኢሜይል ዝልኣዀ መብርሂ ገሊጹ። ካልእ እቶም ተጉዓዝቲ ዘልዓሉዎ ጉዳይ፡ ኢሚግሬሽን ኢትዮጵያ ንኤርትራውያን ሓዊሱ ፓስፖርት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሓዙ ተጉዓዝቲ \"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ በጽሑ ቪዛ ክወሃቦም’ዩ\" እኳ እንተበለ፡ ንኤርትራውያን ግን ዘግለለ’ዩ ዝብል’ዩ። እንተዀነ፡ እቲ መገዲ ኣየር ኤርትራውያን ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ክበጽሑ እንከለው ቪዛ ክረኽቡ ከም ዝኽእሉን ኣቐዲሞም ቪዛ ምሕታት ከም ዘየድልዮምን ኣብሪሁ። ብኻልእ ወገን፡ ምስ ወሰኽ ዋጋ ቲኬት ብዝተሓሓዝ ዝቐርብ ጥርዓን እውን ኣሎ። እቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ዝግበር ጉዕዞ ሓደ ሰዓትን 40 ደቒቕን ዝወስድ ኰይኑ፡ ዋጋ ትኬት ኣስታት ሓደ ሽሕ ዶላር በጺሑ ብዝብል መረረት ኣለዎም። ብፍላይ ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝነበረ ዋጋ ብምጥቃስ፡ \"እቲ ሕጂ ዘሎ ዋጋ ተጋኒኑ’ዩ ዝበሉ\" ይብሉ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ድሕሪ እቲ ለበዳ ኣብ ዋጋ ትኬት ወሰኽ ከም ዝተራእየ ሓቢሩ። ይኹን’ምበር፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት [ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ] ዝነበረ ዋጋ ትኬትን ሕጂ ዘሎን ብዙሕ ኣፈላላይ የብሉን ዝበለ ኰይኑ፡ ኣብቲ ግዜ ንሓደ በረራ 279 ዶላር ከም ዝነበረ ኣዘኻኺሩ። እቲ መገዲ ኣየር፡ ንልዕሊ 75 ዓመታት ንኣፍሪቃውያን ናብ ሓደ ንምምጻእ ጻዕሪ ክገብር ከም ዝጸንሐ ብምግላጽ “ንኣፍሪቃውያን ወገናትና ንምብዝባዝ ዕላማ የብልናን” ኢሉ።","category":"መጓዓዝያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c2xg6vkdxy6o"} {"headline":"ኣብ ደብረብርሃን መእተዊ ኣዲስ ኣበባ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?","content":"ካብ ክልል ኣምሓራ፡ ዞባታት ደቡብ ወሎ፣ ሰሜን ወሎን ዋግ ኽምራን ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዝወስድ መንገዲ ደሴ - ኣዲስ ኣበባ ዝጓዓዙ ተሳፈርቲ መራሕቲ መካይንን ንሰሙናት ከምዝተንገላትዑ ገሊጾም። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተጓዓዝትን መራሕቲ መካይንን ከም ዝበልዎ፡ ኣፍደገ ኣዲስ ኣበባ ዝኾነ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝርከብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ምስ በጽሑ፡ ኣብቲ መፈተሺ ነቑጣ ብሓይልታት ጸጥታ በደልን ምግፋዕን ይበጽሖም። ብተወሳኺ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣውቶቡሳትን ሚኒባሳትን ተጓዓዝተን ሒዘን ናብ ዘዝመፅእኦ ክምለሳ ከምዝግደዳ ይዛረቡ። ንሳቶም፡ \"እቲ ምኽንያት ክንሓትት ከለና ዝተፈላለየ መልሲ ንረክብ\" ይብሉ። ብምኽንያት እዚ፡ ብዙሓት ካብ ናይ ስራሕ ፈተና፣ ናይ ሕክምና ቆፀራ፣ ስራሕ፣ ስድራቤታዊ ቀብሪ፣ መርዓን ካልኦት ማሕበራዊ ፍፃመታትን ተኣጓጊሎም ከምዘለዉ ይዛረቡ። \"ኣብ’ዚ እዋን ክረምቲ፡ ኣብ መንገዲ ህፃናት፣ ኣዴታት፣ ኣረጋውያን፣ ሕሙማትን ኣብቲ ዝሓሰብዎ ቦታ ከይበፅሑ ምርኣይ ዘሕዝን እዩ\" ኢሎም እቶም ተጓዓዝቲ። ቢቢሲ ካብ ሓለፍቲ እቲ ከባቢ ዝረኸቦ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ እቲ ጸገም ዕልባት ክሳብ ዝረክብ ብዝብል፡ ትማሊ 4 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ እቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝወስድ መንገዲ ኣብ ደብረብርሃን ተዓፅዩ ነይሩ። ምክትል ሓላፊ ሰላምን ፀጥታን ዞባ ሰሜን ሸዋ ሰለሞን ኣልታየ፡ ኣብ ሸኖ፣ ለጌጣፎን ኣለልቱን ኣብ ዝርከቡ መፈተሺ ነቑጣታት፡ ዘይፍለጡ ['ጸጉረ ልወጥ’] ሰባት ከይሓልፉ፡ ሓይልታት ፀጥታ ንተጓዓዝቲ መለለዪ ካርዲ  ከምዝሓቱ ሓቢሩ። እቲ ሓላፊ ግን፡ ክልቲአን ክልላትን ጎረባብቲ ዞባታትን ተዘራሪቦም ነቲ ፀገም ንምፍታሕ’ኳ እንተፈተኑ፡  ዛጊድ ፍታሕ ከምዘይተረኽበ እዩ ዝገልጽ። ንሱ፡ \"ሓደ መዓልቲ ሰላም ኰይኑ ይብሃል፡ ንጽባሒቱ ተመሳሳሊ ነገር የጓንፍ። ኣብ መዓልቲ ክሳብ ሰለስተ ኣውቶቡሳት ካብ መገዲ ዝምለስሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ። ብፍላይ ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት መዓልታት እናገደደ መጺኡ ኣሎ” ኢሉ። እቲ ምክትል ሓላፊ ወሲኹ፡ ምስ ዝምልከቶ ኣካል ፌደራል መንግስቲ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ድሕሪ ምዝርራብ እቲ መንገዲ ረቡዕ 4 ነሓሰ 2014 ዓ.ም 12:00 ሰዓት ድሕሪ ቀትሪ ከምዝተኸፍተ ገሊጹ። መለለዪ መንነት ኣዲስ ኣበባ ዘይብሎም ሰባት ከምዘይሓልፉን መራሕቲ መካይን ብዘይ ገበኖም መቕጻዕቲ ከምዝብየነሎም፡ “ስለምንታይ?” ኢሎም ዝሓተቱ ድማ መጥቃዕቲ ከምዝበጽሖም ይጠርዑ። ኣቶ ሰለሙን፡ ፈጸምቲ እቲ መጥቃዕቲ፡ ​​ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኦሮሚያን ናይቲ ከባቢ ምልሻታትን ምዃኖም ሓበሬታ ከምዝበጽሖ ይገልጽ። ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት፡ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣውቶቡሳትን ተጓዓዝትን ኣብ ጽርግያታት ተጨናኒቖም ዘርኢ ስእልታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ተዘርጊሑ ተስተውዒሉ። ምክትል ሚኒስተር ኣገልግሎት ኮምኒኬሽን መንግስቲ፡  ሰላማዊት ካሳ፡ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ ሓይልታት ትግራይ ተቖጻጺሮሞም ኣብ ዝጸንሑ ከባብታት ክልል ኣምሓራ፡ መለለዪ መንነትን ካልኦት ሰነዳትን ንምድላው ዝውዕሉ መሳርሕታት ከምዝወሰዱን፡ እቲ ስጉምቲ ምስ ጽኑዕ ሓለዋ ጸጥታ ዝተኣሳሰር ሙኻኑን ተዛሪባ። ካብ መራሕቲ ትግራይ ብዛዕባ እዚ ክስታት፡ ዝተብሃለ የለን። እቲ ልዕሊ ዒስራ ኣዋርሕ ዘቑጸረ፡ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ ጀሚሩ፡ ናብ ክልል ኣምሓራ ልሒኹ ከምዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ንኣዲስ ኣበባ ቀረባ ዝዀነት ከተማ ደብረ ብርሃን በጺሖም ምንባሮም ይዝከር፤ ብዙሓት ዞባታት ደቡብ ወሎን ሰሜን ጎንደርን ድማ ኣብ ቀይዶም ኣውዒሎም ነይሮም። እቲ ደማዊ ኲናት ሰለማዊ ፍታሕ ክረክብ ይኸውን ዝብል ተስፋ ተገይሩ እንተነበረ’ኳ፡ ዳግማይ ውግእ ከይውላዕ ይስጋእ ኣሎ። ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ኣብቶም ተጓንፎታት፡ ምስ ገለ ሓለፍቲ ፖሊስን ኮምኒኬሽንን ክልል ኦሮምያ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተጓዓዝቲ ግን፡ መለለዪ መንነቶም 'ኣምሓራ' ዝብል እናተፈለዩ ምሕላፍ ይኽልከሉ ከምዘለዉ እዮም ዝዛረቡ። ሓላፊ ሓደ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣውቶቡስ ኩባንያ ኣይተ ኩራባቸው ታደሰ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብፍላይ ካብ ሓደ ወርሒ ጀሚሩ መካይኖም ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ንሰዓታት ኣብ መንገዲ ደው ክብላ ስለዝተገደዳ ኣብ ደብረብርሃን ክሓድሩ ከምዝተገደዱን ተዛሪቡ። እዚ ድማ እቲ ተሳፋራይ ንተወሳኺ ወፃእታት ከምዝቃላዕን እቲ ኩባንያ ክሳራ ከምዘጋጠሞን ወሲኹ ገሊጹ። \"ብተደጋጋሚ ከምዚ ዓይነት ነገር የጋጥመና ኣሎ።ተጓዓዝቲ ብዙሕ መከራ የጋጥሞም ኣሎ። ናይ ወጻኢ በረራ ዘለዎም፣ ናይ ሕክምና ቆጸራ ዘለዎም ሰባት ኣብቲ ዝሓሰብዎ ከይበጽሑ ኣብ ሜዳ ይሓድሩ ኣለዉ።","category":"መጓዓዝያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c1vg6kld2lwo"} {"headline":"ብትግራይ ዝጥለቡ ቀንዲ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት እንታይ እዮም?","content":"ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓመ ን21 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኵናት፡ ብኣሽሓት ኣብ ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሞትን ኣካላዊ መጉዳእትን ኣኸቲሉ፣ መሰረተ-ልምዓት (ትሕተ-ቅርፂን ኣዕንዩ፡ ንሚልዮናት ሰባት ኣፈናቒሉ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ እውን ግዳይ ፆታዊ መጥቃዕትን ዓመጽን ኰይነን። ነቲ ኲናት ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ ሓያሎ ጻዕርታት ክካየድ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኬንያ፡ ናይሮቢ ቀጥታዊ ዝርርብ ክካየድ ትፅቢት ይግበር። ኣማኻሪ ጕዳያት ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ ብ 28 ሓምለ 2022  ምስ ዲፕሎማሰኛታትን ኣምባሳደራትን ዘተ ከምዘካየዱ ብምሕባር ናብ መቐለ ክኸዱ ከም ዝተፈቐደሎም ኣብ ትዊተር ኣፍሊጡ ነይሩ። \"እቲ ዘተ ብዘይ ዝዀነ ቅድመ ኵነት ክጅመር ይግባእ፡\" ዝበለ ሬድዋን፡ መንግስቲ ፈደራል እቲ ዘተ ብሕብረት ኣፍሪቃ ክምእዘን ድልየት ከምዘለዎ ገሊጹ። ብኣንፃሩ፡ ኣቦ ወንበር ህወሓትን መራሒ ክልል ትግራይን ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ምዕራብ ትግራይ ናብቲ ቅድሚ ኵናት ምጅማሩ ዝነበሮ ምምሕዳር ክምለስ፡ እቲ ብሰንኪ ኲናት ተቛሪጹ ዘሎ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱን፡ ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይገደብ ናብ ህዝቢ ክቐርብን ኣተሓሳሲቡ ነይሩ። ንምዃኑ እቶም ናብ ንቡር ክምለሱ ዝሕተቱ ዘለዉ ኣገልግሎታት እንታይ እዮም? ኣብ ከመይ ዝበለ ደረጃ’ኸ ይርከቡ? ንዝብል ሕቶ ንምምላሽ ነዞም ዝስዕቡ ሓሙሽተ መሰረታውያን ነገራት ክንድህስስ ኢና። ኣብ ኢትዮጵያ ብመንግስትን ብሕትን ዝውነኑ ልዕሊ 15 ባንክታትን ልዕሊ 6,000 ሽሕ ጨንፈራትን ከም ዘለውዎም ይግለፅ። እተን ባንክታት ኣብ ትግራይ እውን ጨናፍር ኣለወአን። ቅድሚ ኵናት ከኣ ስሩዕ ኣገልግሎት ይህባ ነይረን። ሃለዋት ናይተን ባንክታት ኣብ ትግራይ ንዘሎ ህዝቢ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ካብ ምሃብ ብተወሳኺ ባህሊ ምዕቛር ከማዕብል ሓጊዘንኦ እየን። ካብ ትካላት ክሳብ ውልቀ-ሰባት ዝዓቑርዎ ገንዘብ ድማ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ዝለዓለ ብፅሒት ኣለዎ። ድሕሪ ምጅማር ኲናት ግን ብቕልጡፍ ክቋረፁ ካብ ዝተገበሩ ኣገልግሎታት እቲ ሓደ ባንኪ እዩ ነይሩ። ናይ ኢንተርኔት ምቁራጽን ትግራይ ኣብ ትሕቲ ዘይእዉጅ ዕፅዋ ምእታዋን ስዒቡ ሰባት ዝዓቖርዎ ገንዘብ ኮነ ካብ ቤተሰብ ዝለኣኸሎም ገንዘብ ብምውፃእ ኣብ እዋን ጸገሞም ክጥቀሙ ኣይከኣሉን። “ምስ ገንዘብና ንጠሚ ኣለና፤ ኣብ ባንኪ ዝዓቖርናዮ ገንዘብ ክንሓምም ከለና ክበጽሓልና ኣይከኣለን” ዝብሉ ቅሬታታት ኣብ ትግራይ ብስፍሓት ይስምዑ። መራሕቲ ትግራይ ነቲ ጸገም ብዝተወሰነ መልክዑ ንምቅላል ብዝብል ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ገለ ባንክታት ብዝኸኣልዎ ዓቕሚ ኣገልግሎት ክህቡ መምርሒ ካብ ምሃብ ብተወሳኺ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ኣብ ገዝኦም ዝሓዙ ውልቀ ሰባት ኮኑ ትካላት ናብ ባንኪ ክመልስዎ ፃውዒት ኣቕሪቡ ምንባሩ ይዝከር። እዚ መምርሒ ብዝተወሰነ መልክዑ ነቲ ጸገም ኣብ ምቅላል ብፅሒት’ኳ እንተነበሮ፡ ሰባት ኣብ ባንኪ ካብ ዘለዎም መጠን ገንዘብ ወርሓዊ ከውፅእዎ ዝፍቀደሎም ግን ኣዝዩ ዝተሓተን ንመሰረታዊ ጠለባቶም ከማልአሎም ከምዘይክእልን ንቢቢሲ ገሊፆም ነይሮም። ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት መራኸቢ (ስልኪ፡ ኢንተርነትን ካልእን) ብምቍራጹ፡ ካብቶም ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘለዉ ስድራኦም ዝዀነ ደሃይ ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም፡ ከቢድ ጭንቀትን ስነ ልቦናዊ ፀቕጥን ፈጢሩሎም ከም ዘሎ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝነብሩ ዘለው ተጋሩ ንቢቢሲ ተዛሪቦም ነይሮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ \"ንህዝቢ ትግራይ ናይደ ፅሞና ግዜ ንምሃብ\" ብዝብል ሰራዊቱ ከም ዘውጽአ ዝገለፀሉ፤ ሓይልታት ትግራይ ድማ፡ \"ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዓወት ብምርካብ\" ንመቐለ ዝተቘፃፀሩሉ እዋን ኣብ ወርሒ ሰነ ምንባሩ ይዝከር። ካብቲ እዋን ጀሚሩ ድማ እቲ ንዝተወሰነ እዋን ተመሊሱ ዝነበረ ኣገልግሎታት ስልኪ ኣብ ትግራይ እንደገና ተቛሪፁ። ኣገልግሎት ኢንተርነት ግን ካብ ጽባሕ ምጅማር እቲ ኲናት ኣትሒዙ ከም ዝተቛረጸ ይዝከር። እዚ ናይ ስልክን ኢንተርኔትን ምቁራፅ፡ ሰባት ንከይራኸቡ ዕድል ካብ ምዕፃዉ ሓሊፉ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ዝብሃል ዓመጽን ገበናት ኲናትን ከይቃላዕ ከምዝገትአ ብዙሓት ተዓዘብቲ ይገልፁ። መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ንኣገልግሎት ህዝቢ ዝተዘርግሑ መሰረተ ልምዓት ኣብ እዋን ኲናት በብወገኖም ከምዘዕነውዎ ይኽሰሱ። ብኣንፃሩ መራሕቲ ትግራይ “መንግስቲ ፌደራል ኮነ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዕፅዋ ብምፍፃም ንኹሎም ሜላታት መራኸቢ ዓፅዩ” ክብሉ ይኸሱ። ምምላስ እዚ ኣገልግሎት ድማ ናብ ድርድር ዘይኣቱ ጉዳይ ከም ዝዀነ ብተደጋጋሚ ክዛረቡ ይስምዑ። ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ ብፍላይ ኣብ ከተማ መቐለ ዘለዉ ሰባት፡ ነቶም ኣብ ገለ ትካላት ዘለዋ ናይ ሳተላይት ስልክን ኢንተርኔትን እናተጠቐሙ ንኣብ ደገ ዝርከቡ ቤተሰቦምን መቕርቦምን ናይ ድምፂ መልእኽቲ ብምልኣኽ ክራኸቡ ይፍትኑ ምህላዎም ይፍለጥ። ነዚ ዕድል ዝረኽቡ ግን ኣዝዮም ውሑዳትን ኣብተን ሳተላይት ስልኪ ወይ ኢንተርኔት ዘለወን ትካላት ምስ ዝሰርሑ ሰባት ፍልጠትን ሌላን ዘለዎምን ጥራሕ እዮም። ቀይሕ መስቀል እውን ንሓንቲ ደቒቓ ጥራሕ ናይ ስልኪ ደወል ኣገልግሎት ብምሃብ ስድራ ቤታት ንክራኸቡ ይጽዕር ከምዘሎ ይፍለጥ። ካብኡ ሓሊፉ ግን ሰባት ሓበሬታ ንምርካብ ኮነ ምስቶም ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝርከቡ ቤተሰቦም ንምርኻብ ነቶም ናይ ድምፂ መልእኽቲ ዘበፃፅሑ ውልቀሰባት ገንዘብ ዝኸፍሉሉ ኩነታት ከም ዘሎ እውን ዝገልፁ ኣለዉ። ገለ ሰባት ድማ ነዊሕ ርሕቐት ብእግሮም ተጓዒዞም ናብ ወሰናስን ዓፋር ወይ ኣምሓራ እናተጸግዑ ኣብተን ክልላትን ብዘሎ ኔትዎርክ ተጠቒሞም ምስ ቤተሰቦም ከም ዝራኸቡ ቢቢሲ ከረጋግፅ ኪኢሉ’ሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ካብ ዘመንጭዉ ግድባት ዲጋ ተከዘ ሓደ እዩ። እዚ መመንጨዊ ሓይሊ ግን ኣብ ትግራይ ስለዘሎ ንትግራይ ዝሽፍነሉ ኣሰራርሓ የለን። ምኽንያቱ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኤለክትሪክ ዘመንጭዉ ግድባት እቲ ፀዓት ብቐጥታ ናብ ሓደ ማእከል እዩ ዝውሕዝ። ብድሕሪኡ እዩ ካብቲ ማእከል ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር ዝዝርጋሕ። ስለዚ ቅድሚ ምጅማር ኲናት ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ትግራይ’ውን ብመሰረት እቲ ፌደራላዊ መስርሕ ዝብጽሓ ሓይሊ ክትጥቀም ምፅንሓ ይፍለጥ። ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራልን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ግጭት ምስ ኣጋጠመ ግን እዚ ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ’ዩ ተቛሪጹ እዩ። ብምቁራጽ እዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን ክካሰሱ እዮም ተራእዮም። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ “ሓይልታት ትግራይ ንመስመራት ሓይሊ ኤለክትሪክ ኣዕንዮም” ዝብል ክሲ ክቐረብ ከሎ፤ ካብ ትግራይ ድማ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ንትግራይ መብራህቲ ከልኪሉ” ክብሃል ይስማዕ። ብዓል መዚ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2021 ኣብ ምሉእ ክልል ትግራይ ሓይሊ ኤለክትሪክ ከምዝተቛረጸ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር። እዚ ድማ ኲናት ካብ ዝጅመር ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኣቢሉ እዩ ዝኸውን ዘሎ። ጠንቂ ናይቲ ምቁራጽ ድማ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ'ቲ ካብ ኣላማጣ-መኾኒ-መቐለ ዝተዘርግሐ መስመር መጥቃዕቲ ስለዝፈጸሙ ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ። ሽዑ መልሲ ዘይሃቡ መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም ብሓፈሻ ኣብቲ ክልል ንዘጋጠመ ምቁራጽ ሓይሊ ኤለክትሪክ ንመንግስቲ ፌደራል እዮም ተሓታቲ ዝገብሩዎ። ካብ በረኻታት ተመሊሶም ናብ መቐለ ምስ ኣተዉ ድማ ነቲ ካብ ተከዘ ዝምንጩ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኣብ ትግራይ ከምዝውዕል ከምዝገበሩዎ ይግለፅ። ከምኡ ድሕሪ ምግባሮም ድሮናትን ነፈርትን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ እቲ ግድብ መጥቃዕቲ ብምፍጻመን ምቁራፅ ኣገልግሎት ከምዘጋጠመ እውን ዝሓበሩሉ እዋን ምንባሩ ይዝከር። እዚ ነንሓድሕዶም ናይ ምክሳስ ኩነታት ኣፅኒሕና ናብቲ ሳዕቤናቱ ክንምለስ ከለና ግን ብቐንዱ ኣብተን ኣገልግሎት ዝህባ መንግስታውን ውልቃውን ትካላት ከቢድ ናይ ስራሕ ምትዕንቓፍ ፈጢሩ እዩ። እቲ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ ዜጋታት ኣብ ፀልማት ከምዝነብሩ ኣብ ርእሲ ምግባር “ነቲ ብረድኤት ዝቐርበልና እኽሊ ኣጥሒንናን ሰንኪትናን ክንምገብ እኳ ኣይከኣልናን” ዝብሉ ጥርዓናት ብወገን ትግራይ ይስምዑ። ትግራይ ናብ ኩሉ ኣንፈታት ኢትዮጵያ ንዝግበሩ መገሻታት እትጥቀመሎም ዓይነታት መጓዓዝያን ብቐንዱ መካይንን ነፈርትን እዮም። ካብ ትግራይ ተበጊሶም ንክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ሰጊሮም ዝሓልፉ ሰፋሕቲ ጽርግያታት ናብ ኩሉ ከባብታት እታ ሃገር ይዝርግሑ። ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ዝርከብ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ከምኡ’ውን ኣክሱም - ሃፀይ ዮሃንስ ራብዓይ፤ ሽረ - ሜጀር ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያን ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ሑመራን ዝብገሳ ነፈርቲ ንህዝቢ ትግራይ ሰፊሕ ናይ መጓዓዝያ ኣገልግሎት ይህባ ነይረን። እዚ ኩነታት ቅድሚ ምጅማር ኲናት’ዩ ነይሩ። ብድሕሪ ምጅማር ኲናት ግን እዞም ናይ መሬትን ኣየርን ኣገልግሎታት መጓዓዝያ ተቛሪጹ። በዚ ምኽንያት ብዙሓት ካብ ትግራይ ወጻኢ ዝነብሩ ግን ድማ ቅድሚ ምዕፃው ኣብኡ ዝነበሩ ናብ ዝመፅኡሉ ክምለሱ ኣይከኣሉን። እቶም ንዝተፈላለዩ ዋኒናቶም ካብ ትግራይ ወጺኦም ዝፀንሑ’ውን ክኣትዉ ኣይከኣሉን። ሰባት ካብን ናብን ዝገብርዎ መገሻታት ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ኣብ ትግራይ ፈርዩ ናብ ካልእ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ዕዳጋ ዝበፅሕ ምህርቲ ከምኡ ድማ ካብ ካልእ ከባቢ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ሸቐጣ ሸቐጥ ምጉዕዓዝ ኣይተኻእለን። ከም ውፅኢት እዚ ምቁራጽ ኣገልግሎት መጓዓዝያ፡ መሰረታዊ ዝበሃሉ ሸቐጣትን ፍርያትን ናብቲ ኣብ ጸገም ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዘይምቕራቡ ብተወሳኺ፡ ንዘለዎም ከቢድን ሕዱርን ሕማማት ናብ ኣዲስ ኣበባ ኮነ ካብ ናብ ደገ ክኸዱ ዝደልዩ ሰባት እውን ዕድል ዓጽዩ ኣሎ። ኲናት ተወሊዑ ኣዋርሕ ምስተቖጸሩን መራሕቲ ትግራይ ናብ በረኻታት ወጺኦም መንግስቲ ፌደራል ዘጣየሾ ግዚያዊ ምምሕዳር ምስኣተወን ንሓፂር እዋን ናይ ነፈርቲ ከምኡ’ውን መኻይን ምንቅስቓስ ተጀሚሩ ምንባሩ’ውን ዝርሳዕ ኣይኮነን። እዚ ግን ብሰንኪ መሊሱ ዝተጓሃሃረ ኲናት ነዊሕ ክቕጽል ኣይከኣለን። እቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ን20 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ሓድሕዳዊ ኵናት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ሰብኣዊ ሃስያታት ኣውሪዱ ይርከብ። ዓለም ለኻዊ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልይዎም ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ሻቕሎቶም ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም። ድሕሪ’ቲ ኲናት፡ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ልዕሊ 2 ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም፡ ኣስታት 63 ሽሕ ድማ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም። ኣብቲ ክልል ልዕሊ 4.5 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ ከም ዘድልዮምን መዓልታዊ ልዕሊ 100 ናይ ረድኤት መኻይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ከምዘለወንን ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ክሕብሩ ፀኒሖም’ዮም። ኣብዚ እዋን ኣብታ ኣብ ሙሉእ ዕፅዋ ትርከብ ትግራይ 6.3 ሚልየን ህዝቢ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ብዝተፈላለዩ ትካላት ረድኤት ክግለጽ እንከሎ፤  ሕቡራት ሃገራትድማ ' ብፈደራላዊ መንግስቲ ዕላዊ ዘይኮነ ዕፅዋ ተኣዊጁ' ከምዘሎ እዩ ዝኸስስ። ሕቡራት ሃገራት ኮነ ዝተፈላለዩ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ነቲ ህዝቢ ክበጽሑ ከም ዘይከኣሉን መንግስቲ ምቹእ ኩነታት ክፈጥርን ድማ ይፅውዑ። መራሕቲ ፌደራልን ትግራይን ናብ ትግራይ ክበፅሕ ኣብ ዝግባእ ረድኤት ብዝፍጠር ምትእጉጓል ንሓድሕዶም ይካሰሱ። ብወገን ትግራይ ‘መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታቱን ናብ ትግራይ ረድኤት ከይኣትው ይኽልክሉ ኣለዉ’ ዝብል ክሲ ክስማዕ ከሎ፤ መንግስቲ ፌደራል ብወገኑ ‘ሓይልታት ትግራይ ናብ ህዝቢ ትግራይ ረድኤት ከይበፅሕ መገዲ ይዓፅዉ ኣለዉ’ ክብል ፀኒሑ’ሎ። ሓይልታት ትግራይ ካብ ዝተቖፃፀርዎም ከባብታት ዓፋር ድሕሪ ምስሓቦም ናብ ትግራይ ብዝሓሸ ኩነታት ረድኤት ክኣቱ ከምዝጀመረ ይንገር ኣሎ። እንተኾነ እቲ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ዘሎ ረድኤት ብሰንኪ ሕፅረት ነዳዲ ኣብ መቐለ ጥራሕ ይኽዘን ከምዘሎ ዝሕብሩ ኣካላት እቲ ካብ መቐለ ወጻኢ ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ኣብ እዋኑ ሓገዝ እኽሊ ይቐርበሉ ከምዘየለ ይገልጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊ መደብ ምግቢ ዓለም ኣድሪያን ቫንዳክናብ፡ ሕፅረት ነዳዲ ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ካልእ በዳሂ ጉዳይ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ ኣብ መላእ ሃገር ሕፅረት ነዳዲ ከምዘሎ ብምዝኽኻር፡ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ድማ’ቲ ሕፅረት ኣብ ምክፍፋል ሰብኣዊ ሓገዝ ኣሉታዊ ፅልዋ የሕድር ከምዘሎ እውን ሓቢሩ ነይሩ። \"ቀረብ ነዳዲ ኣብታ ሃገር ይመሓየሽ ኣሎ፤ ኣብ ትግራይ ወርሓዊ ዘድሊ 2 ሚልዮን ሊትሮ ነዳዲ፡ ከመይ ጌርና ከም ነብፅሕ ምስ ሰበስልጣን ንሰርሕ ኣለና” ይብል። ፍሉያት ልኡኻት ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ከምኡ’ውን ተወከልቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዲፕሎማሰኛታት ገለ ሃገራትን ምስ መራሒቲ ትግራይ ንምዝታይ ብ2 ሓምለ 2022 ናብ ከተማ መቐለ  ከምዝበጽሑ ይፍለጥ። ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ማይክ ሃመር፣ ከምኡ’ውን ፍልይቲ ልእኽቲ ሕብረት ኣውሮጳ ኣኒታ ወይበር ካብ ቶም ናብታ ከተማ ዑደት ዘካየዱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኮይኖም ምስ ዶ\/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤልን ላዕለዎት ኣመራርሓ ትግራይን ዘትዮም። ብክልቲኦም ወገናት [መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን] ንዘተ ሰላም ቅሩብነት ምርኣዮም ብምንኣድ፡ ኣብ ትግራይ ተቛሪፆም ዘለዉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ክምለሱ ፀዊዖም። ፕረዚደንት ትግራይ ዶ\/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል በቶም ናብ መቐለ ዑደት ዘካየዱ ፍሉያት ልኡኻት ማሕበረሰብ ዓለም ኣቢሉ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደብዳበ ልኢኹ’ሎ። እቲ ጉጅለ ልኡኽ ድሕሪ እቲ ዑደት ኣብ ዘውጸኦ ሓበራዊ መግለጺ፡ መራሒ ትግራይ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ኣብቲ ክልል መሰረተ ልምዓት እቶም ዝተቛረጹ ኣግልግሎት ንምዕራይ ንዝደልዩ ኣካላት ሙሉእ ውሕስነት ድሕነት ንምሃብ ዘረጋግጽ ምዃኑ ሓቢሩ። ብመሰረት እቲ መግለጺ፡ ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ቀረባት ንምጅማር ዝኾነ ዕንቅፋት ክህሉ ከምዘይግባእ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካን ኣውሮጳን ጸዊዑ።","category":"መጓዓዝያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cjl5y329pxgo"} {"headline":"ኣገልግሎት ታክሲ ዝህብ ኡበር ብሰርሳሪ ተጠቒዑ","content":"እቲ ዓማዊል ናብ ዝደለይዎ ቦታ ክበፅሑ ውልቃዊ መራሒ መኪና ናይ ምቕራብ ኣገልጋሎት ዝህብ ኩባንያ ኡበር፡ ሓያሎ ስርዓታት ውሽጣዊ ርክባትን ምህንድስናን ኣብ ሓደጋ ድሕሪ ምእታዎም፡ መርመራ ይገብር ከምዘሎ ሓቢሩ። ነቲ ጥሕሰት ንፈለማ ግዜ ዝጸብጸበ፡ ካብቲ ሰርሳሪ ምስሊ ኢመይል፡ ክላውድ ስቶሬጅን ኮድ ምንጪታትን ዝተለኣኸሉ ዘ ኒውዮርክ ታይምስ እዩ። ሰራሕተኛታት ኡበር፡ 'ስላክ' ዝበሃል ናይ መልእኽቲ መተግበሪ (ኣፕ) ንከይጥቀሙ ከምዝተነግሮም እቲ ጸብጻብ ንኽልተ ሰራሕተኛታት ብምጥቃስ ሓቢሩ። ስርዓት ስላክ ካብ መስመር ኢንተርኔት ወጻኢ ቅድሚ ምዃኑ፡ ሰራሕተኛታት ኡበር \"ኣነ ሰርሳሪ ምዃነይን ኡበር ድማ ምጥሓስ ዳታ ከምዘጋጠሞን የፍልጥ\" ዝብል መልእኽቲ በጺሕዎም እዩ። ድሒሩ እቲ ሰርሳሪ ንሰራሕተኛታት ኣብቲ ውሽጣዊ ሓበሬታ ገጽ ግሉጽ ስእሊ ብምልጣፍ ናብ ካልኦት ውሽጣዊ ስርዓታት ኡበር ክኣቱ ከምዝኸኣለ ኣርእዩ። ኡበር ብዛዕባ እቲ ጥሕሰት ብዝምልከት ምስ ሰበስልጣን ከምዝተራኸበ ገሊጹ’ሎ። ክሳብ ሕጂ ተሽከርከርቲ ኡበር፡ ዓማዊሉ ወይ ሓበሬታ ክፍሊት በቲ ስርሰራ ከምዝተጸልወ ዝሕብር ምልክት የለን። ብዛዕባ ተቓላዕነት ድሕነት ኩባንያታት ሓበሬታ ዝረኸቡ ልዑል ክእለት ዘለዎም ሰርሰርቲ \"በግ ባውንቲ ሃንተርስ\" (Bug bounty hunters) ብዝብል ዝፍለጡ ሃደንቲ ሽልማት እዮም። ኡበር ካብ ሓደ \"ሃከርዋን\" ዝበሃል ኣብ ካሊፎርንያ ዝመደበሩ ሃዳኒ ሽልማት ግልጋሎት ክረክብ ክፍሊት ከፊሉ ተመዝጊቡ እዩ። ዓበይቲ ትካላት ተቓላዕነቶም ንምልላይ ስነ-ምግባራር ዘለዎም ሰርሰርቲ ከምዝጥቀሙ ይፍለጥ። ሓደ ካብቶም ሃደንቲ ሽልማት ዝኾነ ሳም ካሪ ምስቲ ንኡበር ዝሰርሰረ ተራኺቡ'ዩ። \"ብዙሕ ነገራት ዝተዋገዩ ይመስሉ\" ኢሉ። ሚስተር ካሪ ምስ ሓያሎ ሰራሕተኛታት ኡበር ከምዝተዘራረበን፡ ንሳቶም ድማ ነቲ ስርሳሪ ንምዕጋት \"ንኹሉ ነገር ብውሽጢ ንምዕጻው ይሰርሑ ከምዘለዉን\" ሓቢሩ። ወሲኹ’ውን እቲ ሰርሳሪ ዝኾነ ጉድኣት ከምዘውረደ ወይ ዕላዊነት ካብ ምርካብ ወጻኢ ድልየት ከምዘለዎ ዝሕብር ምልክት ከምዘየለ ይገልጽ። \"ምስ ጉጅለ ጸጥታ ኡበር ብቐረባ ርክብ ንገብር ኣለና፡ ዳታኦም ዓጺናዮ ኢና፡ ኣብመርመራ ድማ ክንሕግዞም ኢና\" ክብል ዋና ሓላፊ ስርሰራ ሃከርዋን ክሪስ ኢቫንስ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ቢቢሲ፡ ኣካውንትታት ምሕደራ ኡበር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከምዘለዉ ካብ ዝገልጽ ሰብ ዝተልኣኹ መልእኽቲታት ርኢዩ እዩ። ጸብጻብ ኒውዮርክ ታይምስ፡ እቲ ሰርሳሪ ወዲ 18 ዓመት ከምዝኾነ፡ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ናይ ሳይበር-ድሕነት ክእለት ከምዘማዕበለን፡ ንስርዓታት ኡበር \"ድኹም ጸጥታ ስለ ዝዘለዎም\" ከም ዝሰርሰረን ይገልጽ። እቲ ሰብ፡ ኣብቲ ነቲ ጥሕሰት ዘፍለጠሉ መልእኽቲ ስላክ፡ መራሕቲ መካይን ኡበር ዝለዓለ ክፍሊት ክረኽቡ ከምዘለዎም'ውን ገሊጹ እዩ።","category":"መጓዓዝያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c16p9k384yyo"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ሓላፊ መዕርፎ ነፈርቲ ዱባይ 'ምስክር ወረቐት ክታበት' ዝሓዙ ጥራሕ ከተኣናገዱ ኣዚዙ","content":"ሓላፊ፡ እቲ ዓለም ለኸ ኣጋይሽ ብምትእንጋድ ተወዳደሪ ዘይርከቦ መዕርፎ ነፈርቲ ዱባይ፡ ምስክር ክታበት ኮቪድ [ኮቪድ ፓስፖርት] ምሓዝ ብነጻነት ንምጉዓዝ ኣማራጺ ዘይብሉ እዩ ኢሉ። ሓላፊ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ፖል ግሪፊዝ፡ 'ናይ ክታበት ፓስፖርት ካብ ምጥቃም፤ ካልእ ኣማራጺ ዘሎ ኣይመስለንን' ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ነዚ ሓሳብ ዝቃወሙ ግን፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክታበት ክረኽቡ ዘይከኣሉ ሰባት ኣብ ግምት ዘየእተወ ውሳነ እዩ ኢሎም ይነቕፉ። ይኹን'ምበር እቲ ሓላፊ፡ ዝተኸተብሉ ወረቐት ሒዞም ንዝመጽኡ ሰባት ድጋፍ ከምዘለዎን፡ ንመጻኢ ከምኡ ካብ ምግባር ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ ከምዘየለ ይዛረብ። \"ኣነ ከምዝመስለኒ፡ እቲ ጸገም ናይ ምኽታብን ናይ ምግላለን ኣይመስለንን። ቀንዲ እቲ ጸገም፡ እቲ ክታበት ብኸመይ ፍትሓዊ ብኾነ መገዲ ብማዕርነት ምብጻሕ ምተኽኣለ ዝብል እዩ\" ኢሉ። ውድብ ጥዕና ዓለምን ቤት ምኽሪ ተጓዓዝቲ ቱሪዝም ዓለምን፡ ናይ ክታበት ፓስፖርት ካብ ዝቃወሙ ገሊኦም እዮም። እዞም ዓለም ለኸ ትካላት፤ እዚ ተርእዮ፡ ኣብ ዓለም ክልተ ዓይነት ማሕበረሰብ ዝፈጥር እዩ ኢሎም ይሙግቱ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም በዓል ሞያ ዝኾነ፡ ዶክተር ማይክ ራያን ፡ 'እዚ ናይ ክታበት ፓስፖርት ዝበሃል ነገር ብርክት ብዝበሉ ናይ ስነ-ምግባርን ማዕርነትን ሕቶታት ዝተኸበበ እዩ' ኢሉ ነይሩ። \"እዚ ጉዳይ ደጊምና ክነጽነዖ ኣለና። ብፍላይ ድማ፡ ክታበት ፍትሓዊ ብዘይኾነ መገዲ ይከፋፈለሉ ኣብ ዘሎ ኣብ'ዚ ሕዚዋን\" ኢሉ ዶ\/ር ማይክ። ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ዓንዲ ሑቑኡ ዝተቖጨመ ኢንዱስትሪ ኣቬሽን፡ ንምትንሳእ ዝተፈላለዩ ስትራተጂታት ሓንጺጹ እናተንቀሳቐሰ ይርክብ። ኤር ትራንስፖርት ኣክሽን ግሩፕ ዝተብሃለ ትካል ከምዝበሎ፡ እቲ ኡንዱስትሪ ቅድሚ ለበዳ ኮቪድ፡ ኣብ ቑጠባ ዓለም ክሳብ 3.5 ትሪሊየን ዶላር ብጽሒት ነይርዎ። እንተኾነ፡ ዓለም ለኸ በረራታት ምስ ተኣገዱ፡ መዕርፎ ነፈርቲ ዱባይ ሓዊሱ፡ ብዙሓት መገድታት ኣየር ምንቅስቓሶም ተዘሓሒሉ እዩ ዝርክብ። ከምኡ ኾይኑ'ውን ግን፡ መዕርፎ ነፈርቲ ዱባይ፡ ሕዚ'ውን ኣዝዮም ብዙሓት ኣጋይሽ እዩ ዘተኣናግድ። መገዲ ኣየር ዱባይ፡ ብዙሓት ዓለም ለኸ ተጓዓዝቲ ኣጋይሽ ብምትእንጋድ ቀዳማይ ደረጃ ዝሓዘ፡ ኣብ ለንደን ንዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ሂዝሮው ኣብ 2014 ብምቕዳም እዩ። ኣብ 2019፡ ክብረ ወሰን ዝሓዘ ቁጽሪ 86.3 ሚልዮን ሰባት ብምትእንጋድ እትመርሕ ዱባይ፡ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ስዒቡ ግን፡ ኣብ 2020 እቲ ብዝሒ ናብ 25.8 ኣንቆልቊሉ።","category":"መጓዓዝያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57133454"} {"headline":"ኤርትራ፡ ምፍኳስ ተሪር ዕጽዋን እገዳታንት ኮሮናቫይረስ ይቕጽል ኣሎ","content":"ኣብ ኤርትራ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ህዝባዊ መጓዓዝያ ምድሪ ካብ ሎሚ \"ብኸፊል\" ከምዝተጀመረ ሚኒስተር ዜና ሓቢሩ። ሚኒስተር የማነ ገረብመስቀል ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ምጅማር መጓዓዝያ ኣብ ውሽጢ ከተማታት፡ ከምኡ'ውን ካብን ናብን ከተማታት ዝምልከት ምዃኑ ጠቒሱ። \"ምስ ምኽፋት ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኸፊላዊ ምጅማር ህዝባዊ መጓዓዝያ ሎሚ ተጀሚሩ'ሎ። ኣውቶቡሳት ኣብ ከተማ፡ ከምኡ'ውን ካብን ናብን ከተማታት ናብ ዘለዉ ቀንዲ መስመራት ክምለሳ'የን\" ኢሉ። ይኹን እምበር፡ እተን ኣውቶቡሳት ካብ ሓደ መበገሲ ነጥቢ ክሳብ ናይ መወዳእታ ዝበጽሓሉ ቦታ ብቐጥታ ዝኸዳ እምበር፡ ኣብ መንጎ ደው ከምዘይብላ ዘለዋ ገለ ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም። ታክስታትን ናይ ብሕቲ ናይ ገዛ መካይንን ግን ዛጊት ብዘይ ፍቓድ ክንቀሳቐሳ ከምዘይተፈቕደለን እቶም ጸብጻባት ይገልጹ። ካብን ናብን እታ ሃገር ዝግበር ንግዳዊ በረራታት''ውን ክሳብ ሕጂ ተኣጊዱ ይርከብ። መንግስቲ ነተን፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተዓጽየን ዝጸንሓ ኣብያተ-ትምህርቲ ካብ ሓሙስ 1 ማዝያ ጀሚረን ክኽፈታ ከምዝወሰነ ይዝከር። እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ምፍኳስ ናይቲ ተሪር ዕጽዋን እገዳታትን፡ \"ንኹሉ ናይ ምክልኻልን ምክትታልን ቅጥዕታት\" ዘማልአ ከምዝኸውን እቲ ሚኒስተር ዜና ገሊጹ'ሎ። እቲ ካብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት 2020 ዝተጀመረ ናይ ምርጋጥ ስጉምቲ፡ ኣብ ህዝቢ ከቢድ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላዉ ምስዓቡ ይንገር። ዋላ'ኳ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ትሑት ቁጽሪ መልከፍትን ሞትን ዘለወን ሃገራት እንተኾነት፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን ናህሪ ናይቲ ለብዒ እናበረኸ ይኸይድ ምህላዉ ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና የረድኡ። ክሳብ ሎሚ ኣብታ ሃገር 3,208 ሰባት ብኮቪድ-19 ተለኺፎም፡ 9 ድማ ሞይቶም ኣለዉ።","category":"መጓዓዝያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56567960"} {"headline":"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሸውዓተ ኤርትራውያን ቤተሰብ ብሰንኪ ሓደጋ መኪና ሞይተን","content":"ንወጻኢ ሃገር ንዝነቐለት ቤተሰቦም ከፋንው፡ ኣብ ሓንቲ መኪና ተሳፊሮም ካብ ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ብሰንኪ ዘጋጠሞም ሓደጋ መኪና ነታ ገያሺት ሓዊሱ፡ ሸውዓተ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝሞታ ተሓቢሩ። እተን ግዳያት፡ ንወጻኢ ምስ ደቃ ትገይሽ ዝነበረት ቤተሰቦም ንኸፋንው ካብ 'ገላን' ኮንደሚንየም ነቒሎም ብሃና ማርያም ኣቢሉ፡ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝወስድ መገዲ ሒዞም ብመኪና ዝጓዓዙ ካብ ዝነበሩ 11 ኣባላት ሓደ ስድራን ኣዝማድን ምንባሮም፡ ኣካያዲ ስራሕ ኮሚሽን መጥፋእቲ ሓዊ ንቢቢሲ ገሊጹ። እቲ ሓደጋ ምሸት ቀዳም 12 መጋቢት 2022 ምንባሩ ምፍለጥ ተኻኢሉ'ሎ። እታ ንወጻኢ ሃገር ትገይሽ ዝነበረት፡ ምስኣ ዝነበሩ ደቂ 4ን 6ን ዓመት ደቃ፣ ንኸፋንዋኣ ኢለን ካብ ኣስመራ ዝመጽኣ ኣደኣን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ኣዝማድን'ውን ብሓደ ነይሮም። እዞም ቤተሰብ ተሰቒሎምዋ ዝነበሩ 'ዶልፊን' ሚኒባስ፡ ንመዓርፎ ነፈርቲ እናተጓዕዘት፡ ኣብ መንገዲ ተበላሽያ፣ ኣብ ደረት ጽርግያ ደው ኢላ ናብ ዝነበረት ሲኖትራክ ዝዓይነታ ዓባይ መኪና ብምግጫው እዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ። ካብቶም ኣብታ ሚኒባስ ዝነበሩ ሰባት፡ ንገያሺትን ኣደኣን ወሲኻ ሸውዓተ ደቀንስትዮ ብኡ ንብኡ ክሞታ እንከለዋ፡ ዝተረፉ ብኸቢድ ተሃሪሞም ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ። እቶም ደቂ 4ን 6ን ህጻናት ከኣ፡ ካብ ሞት'ኳ እንተ ተረፉ፡ ብኸቢድ ተሃሪሞም ኣብ ሆስፒታል ይእለዩ ኣለው። ካብቶም ብሂወት ዝተረፉ ሓደ፡ መራሕ መኪና ኰይኑ፡ ንሱ'ውን ከቢድ ማህሰይቲ ወሪድዎ ኣብ ሕክምና ከም ዘሎ ምፍላጥ ተኻኢሉ'ሎ። ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረዲአት ኣብቲ ቦታ ክበጽሑ እንከለው፡ ትንፋስ ሸውዓተ ሰባት ድሮ ሓሊፉ ነይሩ፣ ክልተ ህጻናት ወሲኽካ ካልኦት ዝተጐድኡ ሰባት ብኡ ንብኡ ናብ ሕክምና ከም እተወስዱ፡ ህዝባዊ ርክባት ኮሚሽን መጥፋእቲ ሓዊ ኣቶ ንጋቱ ማሞ ንቢቢሲ ገሊጹ። ብሰንኪ'ቲ ዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ፡ ግዳያት ካብታ ዝተጨፍለቐት ሚኒባስ ንምውጻእ፡ ኣባላት ህጹጽ ረዲአት ሓገዝቲ ማሽነሪ ክጥቀሙ ተገዲዶም ነይሮም። ኣቶ ንጋቱ ብዛዕባ'ዚ ክገልጽ እንከሎ፡ ግዳያት ካብታ ሚኒባስ ንምውጻእ ኣመና ፈታኒ ከም ዝነበረ ጠቒሱ፡ መስርሕ ምውጻእ ሬሳታት ልዕሊ ሓደ ሰዓትን 20 ደቒቕን ከም ዝወሰደ ኣቶ ንጋቱ ኣብሪሁ። እቲ ከባቢ ብተደጋጋሚ ሓደጋ ዝኽሰተሉ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ቅድሚ ሕጂ ሓደ ኣባል ፖሊስ ከይተረፈ ኣብቲ ስፍራ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ህይወቱ ከም ዝሓለፈ ሓቢሩ። እቲ ቦታ ቁልቁለት ዘለዎ ክኸውን እንከሎ፡ መዝሓሊ ፍጥነት ዝኸውን ኣብ ጽርግያ ዝግበር መግትኢ ስለዘይብሉ ድማ ንሓደጋ ዘለዎ ኣሉታዊ ኣስተዋጽኦ ኣብሪሁ። ፖሊስ፡ ንጠንቂ'ቲ ሓደጋን ምስኡ ዝተሓሓዙ ጕዳያትን የጻርዮ ከም ዘሎ ድማ፡ ቢቢሲ ካብ ፖሊስ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረጋግጽ።","category":"መጓዓዝያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60678448"} {"headline":"ኣሜሪካውያን ኣትሌታት ምስ ጾታዊ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ ንኤፍቢኣይ ብሓደ ቢልዮን ዶላር ክኸሳ እየን","content":"ጾታዊ ዓመጽ ኣጋጢሙና ዝበላ ጉጅለ ብሄራዊ ጂምናስቲክ ኣመሪካ፡  ኤፍ-ቢ-አይ ሓደ ቢልዮን ካሕሳ ንክኸፍለን ክኸስኦ እየን። እተን ቅሬታ ዘቕረባ ኣትሌታት፡ ቤት ጽሕፈት ፌደራል ምርመራ ኣሜሪካ (ኤፍቢአይ) ኣብ ልዕሊ በዓል ሞያ ሕክምና ዶክተር ላሪ ናሳር ዝቐረበ ክሲ ተኣማንነት ዘለዎ መረዳእታ ቀሪቡ ከብቅዕ ብዝግባእ ኣይተራእየን ክብላ እየን ቅሬተአን ገሊጸን። ካብተን ከሰስቲ ተሰለምቲ ወርቂ መዳልያ ሲሞን ባይልስ፡ አሊ ሬይስማንን ማኬይላ ማሮኒን ይርከበአን። ዶክተር ላሪ ናሳር ኣብ ልዕሊ ኣትሌታት ጾታዊ ምትንኻፍን መጥቃዕትን ብምፍጻሙ ናይ 175 ዓመት ማእሰርቲ ተበይኑዎ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ ኣሎ። እቲ ትካል ነቲ ብዛዕባ ዶክተር ናስር ዝምልከት ክሲ ዕሽሽ ብምባሉ ኣብ መርመራኡ ጌጋታት ምግባሩ ኣቃሊዑ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ኣመሪካ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ዋና ኢንስፐክተር ነዊሕ ትጽቢት እተገብረሉ ጸብጻብ፡ እቲ ፈደራላዊ ትካል ብዛዕባ ዶክተር ናሳር ዝገበሮ መርመራ  ገምጋም ሂቡሉ ነይሩ። እቲ ጕዳይ ኣብ 2015 ተኸፊቱ ከብቅዕ ብሰንኪ ሸለልትነት ናሳር ተወሳኺ ግጉይ ተግባራት ኪገብር ጌጋታቱ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ክቕጽሎ ዕድል ከምዝረኸበን  እቲ ጸብጻብ ይሕብር ። ኣብቲ ሪፖርት ዶክተር ናሳር ብ2015 ፈጺሙዎ ብዝተባህለ ጾታዊ መጥቃዕቲ መርመራ እኳ እንተተጀመረ፡ ምንም ከይተገብረ ልዕሊ ዓመት ብምሕላፉ ናይ ኤፍቤኣይ ወኪላት ጌጋታት ብምፍጻሞምን ነቲ ጉዳይ ብፍላጥ ክሸፋፍኑዎ ከምዝፈተኑን እቲ ጸብጻብ ኣቃሊዑ። ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ናብ ኤፍቢአይ ሪፖርት ምስተገብረ እውን እንተኾነ በቲ ዶክተር ጾታዊ ዓመጽ ዘጋጠመን ኣብቲ ዝርዝር ቀሪቡ ኣሎ። እተን ከሰስቲ መብዛሕተአን ናይ ኣመሪካ ብሄራዊ ኣትሌትስ ፕግራም አካላት ኮይነን ኣብ ሚቺጋን ዩኒቨርስቲ ኣብ ዝርከብ ናይቲ ዶክተር ክሊኒክ ጥዕናዊ  ክንክን ዝግበረለን ዝነበረ እየን። እቶም ሪፖርት ዝተገብረሎም ናይ ኤፍቢአይ ዝግባእ ምርመራን ክትትልን ኣይገበሩን ንዝምልከቶም እውን ኣይሓበሩን። “እተን ናይ ጾታዊ ዓመጽን መጥቃዕትን ግዳያት ኣትሌታት ብኹሎም እቶም ክሕልውና ዝግበኦም ኣካላት፡ ብኮሚተ ኦለምፒክ ኣመሪካ፣ ብጂምናስቲክ ኣሜሪካ፣ ብኤፍቢአይን ናይ ፍትሒ ትካልን ተኻሒድና ኢና” ክትብል ተሰላሚት ወርቂ መዳልያ ኦሎምፒክ ኬይላ ማሮኒ ሓቢራ። ቅድሚ ክልተ ሳምንቲ ናይ ኣመሪካ ናይ ፍትሒ ዲፓርትመንት፡ ኤፍቢአይ ነቲ መርመራ ብግጉይ መገዲ ሒዘምዎ ንዝበሎም ክልተ ኣባላት ኤፍቢአይ ክሲ ክምስርት ወሲኑ ኣሎ። እተን ከሰስቲ እቲ ትካል (ኤፍቢኣይ) ብዝፈጸሞ ሸለልትነትን ብሳዕቤኑ ዝወረደ በደልን ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍለን ሕቶ ኣቕሪበን ኣለዋ።","category":"መጓዓዝያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c1308jzgdp5o"} {"headline":"ሜክሲኮ፡ ኣብ ሲቲ ባቡር ብቢንቶ እናሓለፈት እቲ ቢንቶ ስለዝፈረሰ 23 ሰባት ሞይቶም","content":"ሰኑይ ምሸት ኣብ ርእሰ ከተማ ሜክሲኮ፡ ሜክሲኮ ሲቲ፡ ባቡር ትሓልፎ ቢንቶ ባቡር እናሓለፈቶ እንከላ ሮሞቕ ስለዝበለ ብውሕዱ 23 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊጾም። እታ ሓያለ ተጎተትቲ ባጎኒታት ዘለዋ ባቡር እቲ ቢንቶ ምስ ፈረሰ ናብቲ ትሕቲ ቢንቶ ዝርከብ ጽረግያ ብምውዳቕ ብውሕዱ ሓንቲ መኪና ከምዝጨፍለቐት'ውን ተሓቢሩ። ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ካብቲ ሓደጋ ብሕይወት ንዝድሓኑ ኣብ ምውጻእ ይረባረቡ ምህላዎም'ውን ሰብ መዚ እታ ሃገረ ገሊጸም። ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ኣብቲ ቦታ ኣብ 2017 ምንቕጠቓጥ መሬት ምስ ኣጋጠመ እቲ ቢንቶ ነቒዑ ከምዝነበረ ንመንግስቲ ምሕባሮም ማዕከናት ዜና ሜክሲኮ ኣቃሊሔን። ሜክሲኮ ኢል ዩኒቨርሳል ዝተባሃለት ጋዜጣ፡ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ጥርዓን ምስ ኣቕረቡ መንግስቲ ነቲ ቢንቶ ከምዝጸገኖ ኣብ ዓምድታታ ኣስፊራ ኣላ። ከንቲባ ከተማ ሜክሲኮ ሲቱ ክላውድያ ሸይንባኡም ናብቲ ቦታ ብኣካል ድሕሪ ምብጻሕ ክሳብ ሕጂ በቲ ሓደጋ 23 ሰባት ሞይቶም ከምዘለዉ ንማዕከናት ዜና ገሊጻ፡ ካብዚ ብተወሳኺ ኣስታት 70 ሰባት'ውን ከቢድን ፎኵስን መጉዳእቲ ኣጋጢምዎም ኣሎ። ኣብ ውሽጢ እታ ባቡር ዝተቐርቐሩ ሰባት ክህልዉ ስለዝኽእሉ ግን ቁጽሪ ምውታት ካብዚ ዘለዎ ንላዕሊ ክውስኽ ከምዝኽልእ ስግኣት ኣሎ። ሓንቲ ካብቲ ሓደጋ ብህይወት ዝወጽአት ጓል 26 ዓመት ማረያና፡ ንጋዜጣ ኢል ዩኒቨርሳል ኣብ ዝሃበቶ ቃል \"ብርቱዕ ድመጺ ሰሚዕና፡ ንዕኡ ስዒቡ ብዘየላቡ ፍጥነት ብትንትን ኢሉ\" ኢላ። ብምስዓብ \"ኣብታ ባቢር ብዙሓተ ደው ዝበሉን ኮፍ ዝበሉን ሰባት ነይሮም እዮም፡ እታ ባቡር ቅጽጽ እያ ኢላ ነይራ\" ኢላ፡ ንሳ'ውን በቲ ሓደጋ ርእሳ ናብ ናሕሲ ናይታ ባቡር ተጋጭዩ ከምዝደመየት ገሊጻ። መጓዓዝያ ባቡር ሜከሲኪ ሲቱ ሓደ ኣብ ዓለም ካብ ዝርከቡ ሰፋሕቲ ጽላታት መጓዓዝያ ኮይኑ ኣብ ዓመት 1.6 ቢልዮን ሰባት ካብን ናብን የመላልስ። ኣብ ሜክሲኮ ሲቲ ኣብ 1975 ብዘጋጠመ ሓደጋ ባቡር'ውን 31 ሰባት ሞይቶም ነይሮም እዮም።","category":"መጓዓዝያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56976922"} {"headline":"ኣብ ዓቢ ጽርግያ ብናይ ኣስቤዛ ዓረብያ ብድሕሪ ናይ ነዳዲ ቦጥ ክጓዓዝ ዝተራእየ ሰብ ብፖሊስ ይድለ","content":"ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓደ ውልቀሰብ ኣብ ሓደ ዓቢ ጽርግያ ኣብ ናይ ኣስቤዛ ዓረብያ (ትሮሊ) ተሰቒሉ ክጓዓዝ ምርኣዩ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት የዘራርብ ኣሎ። እቲ ብፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝድለ ዘሎ ሰብ፡ ኣብ ድሕሪት ናይ ሓንቲ ዓባይ ቦጥ ነዳዲ ተደጊፉ ክኸይድ ተራእዩ። ነቲ ኩነታትን ሓደገኛነቱን ዝተዓዘቡ ተጓዓዝቲ ከይተገረሙን ከይሰንበዱን ኣይተረፉን። ገለ'ውን ነቲ ኩነታት ብቪድዮ ቀዲሖም ናብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስ ዘርግሕዎ፡ የዘራርብ ኣሎ። ነዘ ዝተዓዘበ ፖሊስ ብወገኑ፡ ብዛዕባ መንነት ናይቲ ሰብ ሓበሬታ ንምርካብ ንህዝቢ ሓቲቱ'ሎ። እቲ ብሰንበት ኣብ ከባቢ ርእሰ ከተማ ፕሪቶርያ ዘጋጠመ ፍጻመ፡ ኣብ ሓደ ማይ ዝሃረሞ ጽርግያ ዝተፈጸመ ምንባሩ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን። ነቲ እታ ናይ ነዳዲ ቦጥ ትፈጥሮ ዝነበረት ናይ ማይ ጸፍዒ ብኸመይ ከምዝተጻወሮ ዘገርም ምዃኑ'ውን ገለ ካብቶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተጻሕፉ ርእይቶታት ገሊጾም ኣለዉ። \"ኣብዘ እዋን'ዚ ብዛዕባ'ቲ ብድሕሪ'ት ተሰቒሉ ከምዝኸደ ዝገልጽ ፍጻመ መርመራ ይካየድ ኣሎ። እቲ ተሳሒቡ ዝኸይድ ዝነበረ ሰብ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሕጊ ክቐርብ'ዩ\" ክትብል ኣፈኛ ፖሊስ ትራፊክ ሰሎ ማረማነ ከምዝተዛረበት ጸብጻባት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ጠቒሶም። ተጓዓዝቲ \"ኣብ ክንዲ ሂወቶምን ሂወት ካልኦት ተጓዓዝትን ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ፡ ህዝባዊ መጓዓዝያ ክጥቀሙ\" እውን እታ ኣፈኛ ኣተሓሳሲባ። እቲ ፍጻመ ዝተራእየሉ ጽርግያ ብዙሓት ተሽከርከርቲ ብናህሪ ዝጓዓዛሉ ሓደ ካብ ዓበይቲ መስመራት እታ ሃገር ብምዃኑ፡ እቲ ውልቀሰብ ስለምንታይ ከምኡ ዓይነት ሓደገኛ ስጉምቲ ወሲዱ ዛጊት ኣይተፈልጠን። ንካልኦት ዝተገረሙ ተጓዓዝቲ ሰላምታ ይህቦም ምንባሩ'ውን ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ ይርአ። ብድሕሪ ዓበይቲ መካይን ተጻዒኖም ከይተራእዩ ክጓዓዙ ዝፍትኑ ሰባት ምርኣይ ልሙድ'ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ናይ ድኳን ዓረብያ ግን ሳሕቲ ዘጋጥም'ዩ። ገለ ተረካብ ዘረባ ዘይሳኣኖም በቲ ኩነታት ዝተገረሙ ወሃብቲ ርእይቶ፡ ብዛዕባ ድልዳለ ናይታ ኣብ ኣፍደገ ዓበይቲ ድኳናት እትርከብ ዓረብያ ክዛረቡ እንከለዉ፡ ገለ ድማ እቲ ሰብ ብሂወት ኣሎዶ የሎን ክፈልጡ ከምዝደልዩ ጽሒፎም። ኣብ ማእከል ዓቢ ጽርግያ እናተጓዕዘ ብትራፊክ ፖሊስ ወይ ካሜራታት ክረአ ብዘይምኽኣሉ ዝተገረሙ'ውን ኣይተሳእኑን።","category":"መጓዓዝያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61000136"} {"headline":"ኢራናውያን ውሩያት ሰባት፡ መገዲ ከይዕጸዎም ብኣምቡላንስ ይጓዓዙ","content":"ውሩያት ሰባት፡ ብብዝሒ ተሸከርከርቲ መገዲ ከይዕጸዎም፡ ብኣምቡላንስ ከምዝጓዓዙ ተገሊጹ። ኣብ ኢራን፡ ከተማ ቴህራን ናይ ውልቀ ኣገልግሎት ኣምቡላንስ ናይ ዝህብ ትካል ሓላፊ ዝኾነ ሞጂታባ ሎሃራስቢ፡ ውሩያት ሰባት ናይታ ሃገር መገዲ ከይዕጸዎም ብኣምቡላንስ ከምዝጓዓዙ ግንድማ \"እቲ ኩነታት ክንድቲ ሰባት ዝብልዎ ዝተጋነነ ኣይኮነን\" ኢሉ። ኣኽባሪ ሕጊ ከተማ ቴህራን፡ ኣገልግሎት ኣምቡላንስ ብጥቡቕ ቁጽጽር ክግበረሉ ኣዚዙ'ሎ። ሎሃራስቢ ከምዝበሎ፡ መገዲ ከይዕጸዎምን ቀልጢፎም መታን ክበጽሑን ክብሉ ኣምቡላንስ ዝጥቀሙ \"ውሩያት ሰባት ጥራይ ኣይኮኑን\" እኳ እንተበለ፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ግን ኣይሃበን። ኢራናውያን ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ነቲ ኩነታት ነቒፎም። እንተኾነ፡ ሰባት በዚ ሓሪቖም ሕሙማት ንዝጸዓና ኣምቡላንሳትን ሓቀኛ ኣገልግሎት ንዝህቡ ሰባትን ከየንከላብቱ ተማሕጺኖም። \"ንኣምቡላንስ ቀዳምነት ምሃብ ግድን እዩ፤ ዋላ ሕሙም ኣብ ውሽጣ ናይ ምህላው ተኽእሎ 1% ጥራይ እንተኾነ\" ኢሉ ሓደ ተጠቃሚ ማሕበራዊ መራኸቢ።","category":"መጓዓዝያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49431224"} {"headline":"ንኣስከሬን ከም መገደኛ ኣምሲሉ ዝጓዓዝ ዝነበረ ዘዋሪ መኪና ተቐጺዑ","content":"ኣብ ኣመሪካ፡ ሓደ ዘዋሪ መኪና፡ ን 'ኣስከሬን' መገደኛ ኣምሲሉ ኣብ መኪንኡ ሒዙ እናተጉዓዘ እንከሎ ተታሒዙ። እቲ ቆቢዕ ወድዩን ናብ መንበር ብገመድ ተኣሲሩን ሰብ መሲሉ ኣብ ጎድኒ እቲ ዘዋሪ ዝጓዓዝ ዝነበረ ኣስከሬን ግን ናይ'ማን ኣስከሬን ኣይነበረን፤ ሰብ-ሰርሖ እዩ። እቲ ወዲ 62-ዓመት ዘዋሪ መኪና፡ ምስኡ ዝጓዓዝ ሰብ ዘሎ ከምስል እዩ ንዕኡ ተጠቒሙሉ። እንታይ ክርባሕ እንተይልኩም ከኣ፤ ኣብታ ዓዲ ካብ ሓደ ሰብ ንላዕሊ ዝጸዓና መካይን ጥራይ ዝኸዳሉ መስመር ጽርግያ ኣሎ። መታን በቲ መስመር ንሱ ክጓዓዝ እዩ፡ ነቲ 'ኣስከሬን' ከም ካልኣይ መገደኛ ኣምሲሉ ተጠቒሙሉ። እቲ ዘዋሪ መኪና በዚ ተግባሩ ናይ መቕጻዕቲ ትኬት ተቖሪጹሉ'ሎ። ሰብመዚ፡ ካልኦት ሰባት ነዚ ተግባር ከይደግምዎ ምዒዶም። ከምዚ ዓይነት ተግባር ግን ንምጀመርያ እዋን ዝተፈጸመ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ፡ ሸየጥቲ ክዳን ንዝጥቀምሉ ባምቡላ፡ ቆቢዕን መነጸርን ብምግባር እናተጉዓዘ ዝነበረ ዘዋሪ መኪና ብተመሳሳሊ ተታሒዙ እዩ።","category":"መጓዓዝያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51253973"} {"headline":"ኣገልግሎት ታክሲ ኡበር ኣብ ከተማ ለንደን ከይሰርሕ ተወሲኑ","content":"ኣገልግሎት ታክሲ ዝህብ ኩባንያ ኡበር፡ ኣብ ከተማ ለንደን ዝጸንሖ ፍቓድ ከም ዘይሕደስ ክፍሊ መጓዓዝያ ናይታ ከተማ ወሲኑ። እቲ ብዓልመዚ መጓዝያ፡ ዋላ'ኳ እወንታዊ ምምሕያሻት እንተ ተግብረሉ፡ ፍቓድ ንምርካብ ግን እቲ መተግበሪ (ኣፕ) ኡበር \"ዘይብቑዕን ዘይግቡእን\" እዩ ክብል ገሊጹ። ኡበር፡ ብስሙ ብዝጽዋዕ መተግበሪ (ኣፕ) ብምጥቃም፡ ንናይ ብሕቲ ዘወርቲ መኪና መሻርኽቱ ብምግባር ኣገልግሎት ታክሲ ዝህብ ትካል'ዩ። ኣብ 2017 ኣብታ ከተማ ዝነበሮ ናይ ስራሕ ፍቓድ ምስተሓደገ፡ ይግባይ ብምባሉ ክልተ ግዜ ብግዝያውነት ክሰርሕ ተፈቒዱሉ'ዩ። እቲ ካልኣይ ትማሊ ሰንበት'ዩ ኣብቂዑ። ይኹን እምበር፡ እቲ ትካል ነዚ ሓድሽ ውሳኔ'ውን ይግባይ ኢሉ'ሎ። ክሳብ ናይ መወዳእታ ውሳነ ዝወሃበሉ ግን፡ ስርሑ ክቕጽል ክፍቀደሉ'ዩ። ምስ ጸጥታን ውሕስነትን ተጓዓዝቲ ብዝተሓሓዝ'ዩ፡ እቲ ትካል ናይ ስራሕ ፍቓዱ ክሕደስ ዘይድለ ዘሎ። ኣብ ለንደን ጥራይ ኣስታት 45 000 ዘወርቲ መኪና፡ ነቲ መተግበሪ ብምጥቃም ኣገልግሎት ታክሲ ከም ዝህቡ ጸብጻባት ይገልጹ። እታ ከተማ፡ ሓንቲ ካብተን ዝዓበያ ሓሙሽተ ዕዳጋታት ኡበር ምዃና'ውን ይፍለጥ። ክፍሊ መጓዓዝያ ለንደን፡ ዘይሕጋውያን ዘወርቲ ነቲ መተግበሪ ብምጥቃም ዘይሕጋዊ ኣገልግሎት ክህቡን፡ ናይ ሓድሕዶም 'ኣካውንትታት' ክጥቀምሉ ዘኽእሎም ድኽመት ኣለዎ ኢሉ ይኸስስ። እቲ ጉዳይ ኣብ መስርሕ ኣብ ዝጸንሓሉ ግዜ ነዊሕ ክኸውን ስለዝኽእል ግን፡ ኡበር ከም ቀደሙ ኣገልግሎት ካብ ምሃብ ኣይከቋርጽን'ዩ።","category":"መጓዓዝያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50548623"} {"headline":"ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዘይብሉ ቱር ዲ ፍራንስ ሎሚ ይጅምር ኣሎ","content":"ሓደ ካብ ዓበይቲ ውድድራት ቅድድም ብሽክለታ ዓለምና ዝኾነ ቱር ዲ ፍራንስ ኣብ 22 ጋንታታት ዝተሓቖፉ 176 ተቐዳደምቲ ሒዙ ሎሚ ክጅምር እዩ። ኣብ 2015 ምስ ጋንታ ኤምቲኤን ኵቤካ ዝወዳደሩ ዝነበሩ ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ንመጀመርታ ዝተወዳደሩ ኤርትራውያን ክኾኑ እንከለዉ፡ ዳንኤል ተክለሃይማኖት ኣብ ቀዳሞት መዓልታት ናይቲ ውድድር ናይ ዓቀብ ነጠብጣብ ማልያ ወኒኑ ምንባሩ ይዝከር። ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ኤምቲኤን ኵቤካን'ውን ናይ መጀመርታ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ኣብ ውድድር ቱር ዲ ፍራንስ ክትወዳደር ዝኸኣለት ጋንታ እያ። ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን ኣብ 2015፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን ናትናኤል ብርሃነን ኣብ 2016 ከምኡ'ውን ናትናኤል ብርሃን ኣብ 2019 ኣብዚ ዓቢ ውድድር ክወዳደሩ ዝኸኣሉ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ'ዮም። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ቱር ዲ ፍራንስ መርሃዊ ቅዱስ ዝወዳደረላ ጋንታ ኣስታና ከምኡ'ውን ናትናኤል ብርሃነ ዝወዳደረላ ጋንታ ኮፊደስ ይሳተፋ'ኳ እንተሃለዋ እዞም ክልተ ተቐዳደምቲ ግን ስሞም ኣብ ዝርዝር ተቐዳደምቲ እተን ጋንታታት ኣይሰፈረን። ምስ ጋናት ሚቸልተን ስኮት ዝወዳደር ኣብ ቱር ዲ ፈራንስ ኣብ 2016፡ 2017፡ ከምኡ'ውን 2018 ዝተሳተፈ ኢትዮጵያዊ ጽጋቡ ግርማይ እታ ጋንታ ምስ ተጠበባበቕቲ እኳ ሰሪዓቶ እንተነበረት ሎሚ ግን ኣብቲ ውድድር ከምዘይሳተፍ ተረጋጊጹ'ሎ። እዚ ሎሚ ዝጅምር ውድድር ቱር ዲ ፈራንስ 21 መድረኻት ዘለዎ ኮይኑ 20 መስከረም ኣብ ውሽጢ ፖሪስ ብዝካየድ ውድድር እዩ ክዛዘም። እዚ 3483.2 ኪሎ ሜተር ዝሽፍን ውድድር ሸሸሞንተ ተጻወትቲ ዝሓዛ ጋንታታት ኢንዮስ ግረንደርሰ፤ ቲም ጃምቦ ዚስማ፤ ቦራ ላ ሞንድያለ፤ ኤጂቱኣር፡ ዲሶኒክ ኵክ ስቱፕ፤ ግሩፕማ ኤፍዲጀይ፤ ባህረይን ማክላርን፤ ኢኤፍ ፕሮ ሳይክሊንግ፤ ቲም ኣርክያ ሳምሱኢክ፤ ሞቪስታር፤ ትሬክ ሳጋፍሬዶ፤ ሲሲሲ ቲም፤ ኮፊደስ፤ ዩኤኢ ቲም ኢማረትስ፤ ኣስታና ፕሮ ቲም፤ ሎቶ ስካንዳል፤ ሚቸልቶን ስኾት፤ ኢስራኤል ስታርት ኣፕ ኔሽን፤ ፤ ቶታል ዳይረክት ኢነርጂ፤ ኤንቲቲ ፕሮ ሳይክሊነግ ቲም፤ ቲም ሱንወብን ቢቢ ሆቴል ቪታል ኮንሰፕንትን ክሳተፋ እየን። ኣብዚ ንመበል 107 ግዜ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ቱር ዲፍራንስ ሓሙሽተ ኣብ ናይ ዓቐብ ውድድራት፡ ሓንቲ 36 ኪሎሜተር ዝሽፍን ናይ ግዜ ውድድር፡ ከምኡ ድማ ኣብ ኣብ ካልኣይ፡ ሻዱሻይ፡ ሻሙናይ፡ ታሽዓይ፡ ዓሰርተ ክልተ፡ ዓሰርተ ሰለስተ፡ ዓሰርተ ሽዱሽተን ዓሰርተ ሸሞንተን ንቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዝወጽኡ 8፡ 5 ከምኡ'ውን 2 ካልኢት ሞቅሽሽ ዘውህብ መድረኻት ኮይነን ተሰሪዐን ኣለዋ። ብመሰረት መምዘኒታት ዓለማዊ ማሕበር ቅድድም ብሽግለታ (UCI) እቶም ብቐዳምነት ዝጥቀሱ ናይ ውድድር መድረኻት ሰለስተ እዮም። እዞም ብግራንድ ቱር ዝፍለጡ ሰለስተ ውድድራት፡ ጂሮ ዲ ኢጣልያ፡ ቱር ደ ፍራንስን ቮልታ ስጳኛን እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ጂሮ ዲ ኢጣልያ ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ቱር ደ ፍራንስ ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ቮልታ ስጳኛ ድማ ካብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ክሳብ ፈለማ ወርሒ መስከረም እዮም ተኻይዶም። ኣብዚ ዓመት እዚ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ብዘሕደሮ ጽልዋ፡ እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ፈለማ ዝካየድ ናይ ግራንድ ቱር ውድድር ዝኾነ ጂሮ ዲ ኢጣልያ ናብ ወርሒ ጥቅምቲ እዩ ተሰጋጊሩ ዘሎ። ስለዚ ኣብዚ ዓመት እዚ ፈለማ ዝካየድ ናይ ግራንድ ቱር ውድድር ቱር ደ ፍራንስ ኮይኑ ይርከብ። ዳርጋ ዝበዝሑ ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ ብሽግለታ ዓለምና፡ ነዚ ንዓለምና ኣብ ወጥሪ ዝሸመማ ለበዳ ኣኣብ ሃገሮም ኮይኖም ካብ ልሙድ ልምምድ ወጻኢ ኮይኖም እዮም ኣሕሊፎሞ። ዝበዝሓ ጋንታታት፡ ኣብ ናይዚ ዓመት'ዚ ቀዳማይ ናይ ግራንድ ቱር ውድድር፡ ነቶም ብቐረባ ቁመንኦም ክከታተልኦ ዝጸንሓ ተቐዳደምቲ ከሰልፋ ከም ዝመረጻ ተንተንቲ እዚ ዓውዲ ይገልጹ። ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ኣፍልጦ ዘለዎም ወገናት፡ ቁመና ናይ ተቐዳደምቲ ብሰንኪ እዚ ዘጋጠማ ለበዳ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ፍልይ ብዝበለ መጠን ጎዲሉ ከም ዘሎ ይሕብሩ። ድሕሪ ወርሒ ሰነ ዝተጀመረ ስሩዕ ልምምድ ንሓደ ናይ ግራንድ ቱር ውድድር እኹል እዩ ኢልካ ክትዛረብ ኣይከኣልን። ጋንታታት፡ ነዚ ሎሚ ዝጅምር ቱር ደ ፍራንስ ኣብ ኢደን ብዝጸንሐን ዝተረጋገጸን ቁመና ናይ ተቐዳደምቲ ኪወከላ ስለ ዝመረጻ፡ ብዙሓት ነዚ ውድድር እዚ ካብ ፈለማ ዓመት ኣተኩሮምሉ ግን ከኣ ካብ ክለባቶም ርሒቖም ዝነበሩ ተቐዳደምቲ ግዳይ ክኾኑ ክኢሎም ኣለው። ናይ ኤርትራውያን ኮነ ተቐዳደምቲ ጉዳይ ድማ በዚ ኣብ መቓን እዩ ዝርአ። ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ቱር ደ ፍራንስ ተወዳደርቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ተባሂሎም ዝግለጹ ዘለው ተቐዳደምቲ ብዙሓት እኳ እንተኾኑ፡ ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ ሰለስተ ተቐዳደምቲ ግን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዕውት ናይዚ ውድድር እዚ ኮሎምቢያዊ ኤጋን በርናል ካብ ክለብ ኢኖስ፡ ቶም ድሙላን ካብ ክለብ ጃምቦ ቪስማ፡ ሚግዌል ኣንገል ሎፐዝ ካብ ክለብ ኣስታና እዮም። ብዘይካ እዞም ሰለስተ ከም ናሮ ኲናታና፡ ጁልያን ኣላፌሊፕ፡ ሚኪኤል ላንዳ፡ ዳኒኤል ማርቲነዝ፡ ታዴጅ ፖጋካር፡ ቲቦት ፒኖን ፕሪሞዝ ሮግሊችን ተጠቀስቲ እዮም። 2019 ኢጋን በርናል ጎመዝ ካብ ካንታ ኢኖስ 2018 ገራኢንት ቶማስ ካብ ጋንታ ቲም ስካይ 2017 ክሪስ ፈሩም ካብ ጋንታ ቲም ስካይ 2016 ክሪስ ፍሩም ካብ ጋንታተ ቲም ስካይ 2015 ክሪስ ፍሩም ካብ ጋንታ ቲም ስካይ 2014 ቪንሰንዞ ኒባሊ ካብ ጋንታ ኣስታና ፕሮ ቲም 2013 ክሪስ ፍሩም ካብ ጋንታ ስካይ ፕሮ ሳይክሊንግ 2012 ብራንደሊ ዊግንስ ካብ ጋንታ ስካይ ፕሮ ሳይክሊንግ 2011 ዳደል ኢቫንስ ካብ ጋንታ ቢኤምሲ ረሲንግ ቲም 2010 ኣንዲ ስቸልክ ጀካብ ጋንታ ቲም ሳክሶ ባንክ 2009 ኣለቤርቶ ኮንታዶር ካብ ጋንታ ኣስታና","category":"መጓዓዝያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53952464"} {"headline":"ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ባቡር ወዲቑ ዝተረኽበ ሻንጣ ሙሉእ ወርቂ ዋንኡ ኣይተረኽበን","content":"ርግጽ እዩ፡ መብዛሕትና ብፍላይ ኣብ ውሽጢ መኪና ወይ ካልእ ቦታ ቴሌፎን፣ ዋሌት ገለ ንብረት ኣውዲቕና ምኻድ ክስማዕ ዘይተለመደ ኣይኮነን። ይኹን'ምበር ሻንጣ ሙሉእ ወርቂ ጫሕ ኢሉ ክርከብ ግን ተሰሚዑ ኣይፈልጥን። ንእዝንና ሓድሽ እዩ። ኣብ ስዊዘርላንድ ግን ከምዚ ኣጋጢሙ ኣሎ። ዛጊድ መንነቱ ዘይተፈለጠ ተሳፋሪ፡ ነዚ ሻንጣ ሙሉእ ወርቂ ኣብ ባቡር ኣውዲቑ ከይዱ። ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ድማ፡ እዚ በዓልናይ መጺኡ ንብረቱ ክወስድ [ጓል ኣነስተይቲ እንተኾይና ድማ-ንብረታ ክትወስድ] ጻውዒት ይገብሩ ኣለዉ። ናይዚ ንብረት ወናኒ ንምርካብ ዝተፈላለየ ጻዕሪ እናተገበረ እዩ ዝርከብ። እቲ ወርቂ ልዕሊ ሰለስተ ኪሎግራም ዝምዘን እንትኸውን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ እዩ ወዲቑ ተረኺቡ። ዋግኡ ብገንዘብ እንትግመት ድማ፡ ኣስታት 190 ሽሕ ዶላር ይኸውን ተባሂሉ። እቲ በዓል ዋና ኣብ ቅድሚ ዓቃቢ ሕጊ ቀሪቡ 'ናተይ እዩ' ኢሉ ክሓትት ወይ ድማ ክትሓትት ናይ ሓሙሽተ ዓመት ናይ ጊዜ ገደብ ተዋሂብዎም ኣሎ። እዚ ክስተት ሕዚ ናብ ህዝቢ ዕላዊ ዝተገብረ፡ እቲ ዋንኡ ኣሊሽካ ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ ስለዘይሰመረ እዩ። እዚ ወርቂ \"ናተይ እዩ\" ኢሉ ንዝመጽእ ሰብ፡ ልክዕ ናቱ ምዃኑ ንምርግጋጽ፡ እቶም ሓለፍቲ መንግስቲ እንታይ ዓይነት መይላ ከምዝጥቀሙ ግን ግልጺ ኣይኮነን ተባሂሉ።","category":"መጓዓዝያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53040222"} {"headline":"ኣውስትራልያ፡ ኣርባዕተ ቆልዑ መኪና ስድርኦም ኣልዒሎም 900 ኪሜ ከይዶም ተረኺቦም","content":"ኣብ ኣውስትራልያ፡ ኣርባዕተ ቆልዑ፡ መግፈፊ ዓሳን ገንዘብን ብምጥርናፍ፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ 4x4 ናይ በረኻ መኪና ሒዞም 900 ኪሜ ከም ዝተጓዕዙ ፓሊስ ተዛሪቦም። እቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 10-14 ዝርከቡ ሰለስተ ኣወዳትን ሓንቲ ጓልን፡ ኣብ ሓንቲ ኣብ ዞባ ኒው ሳውዝ ዌልስ እትርከብ ግራፍተን እትበሃል ከተማ'ዮም ብደሓን ተረኺቦም። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት'ዮም ግሬስሚር ካብ እትበሃል ኣብ ዞባ ኲንስላንድ እትርከብ ከተማ ነቒሎም። ሓደ ካብቶም ኣወዳት፡ ንቤተሰቡ ይኸይድ ከም ዘሎ ዝገልጽ ናይ ጽሑፍ ሓበሬታ ገዲፍሎም። ፓሊስ፡ ኣብቶም ቆልዑ ክሲ ክምስረት መደብ ከም ዘለዎ'ኳ እንተገለጸ፡ ብምንታይ ከም ዝኸሶም ግን ብንጹር ኣይሓበረን። እቶም ቆልዑ፡ ካብ ሓደ ስድራ ኣይኮኑን። እታ ዝሰረቕዋ መኪና ድማ ካብ ስድራ ናይ ሓደ ካብኣቶም'ያ። ሰንበት ንጉሆ፡ ኣስታት 140 ኪሜ ምስ ተጓዕዙ፡ ኣብ በናና እትባሃል ከተማ፡ ኣብ ሓደ እንዳ ነዳዲ ብምግላስ ዘድልዮም ነዳዲ ሰሪቖም። ሓደ ሰራሕተኛ ናይቲ እንዳ ነዳዲ፡ ንደይሊ ቴለግራፍ ዝተባህለ ናይታ ሃገር ጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ናይ ጸጥታ ቪድዮ ናይቲ ትካል ከም ዘርእዮ፡ እታ መኪና ከምቲ ልሙድ ናብቲ እንዳ ነዳዲ ድሕሪ ምእታዋ፡ ሓደ ሰብ ነዳዲ ክመልእ ወሪዱ ኢሉ። \"ኣዝዩ ሓጺር'ዩ። ራኣዮ'ንዶ፡ ማዕረ'ቲ መስኮት'ውን ኣይበጽሕን'ዩ\" ክብል እቲ ሰራሕተኛ ገሊጹ። ድሕሪ'ዚ፡ ፓሊስ ነታ መኪና ኣብ ሓንቲ ግለን ኢነስ እትበሃል ጥቓ ከተማ ገራፍተን እትርከብ ንእሽቶይ ከተማ ምስ ራኣዩዋ፡ ክስዕብዋ ጀሚሮም። ይኹን እምበር፡ ጸኒሐም፡ ቆልዑ ምዃኖም ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ክሃድሙ ክብሉ ኣብ ሓደጋ ከይኣትዉ ደድሕሪኦም ካብ ምስዓብ ኣቋሪጾም። ጸኒሓ ድማ እታ መኪና ኣብ ከተማ ግራፍተን፡ ኣብ ደረት ጽርግያ ደው ኢላ ተራእያ ክብል ኣባል ፓሊስ ኢንስፐክተር ዳረን ዊልያምስ ተዛሪቡ። \"እቶም ቆልዑ ማዕጾ ሸጊጦም ኣብ ውሽጢ ተዓጽዮም። ኣብ ቀይዲ ንምእታዎም፡ ፓሊስ ብበትሮም ሴሮም ክኣትዉ ተገዲዶም\" ክብል ከም ንኮርፐረሽን ብሮድካስቲንግ ኣውስትራልያ ሓቢሩ። እናተበራረዩ ዘዊሮማ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ድማ ግምቱ ሂቡ። ካብ መበገሲኦም ከተማ ግሬስሚር ክሳብ ግራፍተን ናይ 10 ሰዓታት ጉዕዞ'ዩ። \"ኣዝዩ ዓቢ ጉዕዞ'ዩ፡ ንቆልዓ እሞ ኸኣ ነዊሕ'ዩ\" ኢሉ። ስድሮኦም ኣብ ዝተረኽብሉ ክሕተቱ ምዃኖም ፓሊስ ገሊጾም። ኣብ ዞባታት ኲንስላንድን ኒው ሳውዝ ዌልስን፡ መምርሒ ፍቓድ ንምርካብ ካብ 17 ዓመት ንላዕሊ ክትከውን ኣለካ።","category":"መጓዓዝያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49009926"} {"headline":"መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሓደ ቢልዮን ዶላር ከሲሩ","content":"መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ብዝተፈጠረ ምትእጉጓል በረራታት ሓደ ቢልዮን ዶላር ከምዝኸሰረ ኣፍሊጡ. ዋና ፈጻሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም፡ ብደረጃ ዓለም ዝተኸሰተ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ታሪኽ መገዲታት ኣየር ተራእዩ ዘይፈልጥ ቅልውላው ከምዘኸተለ ተዛሪቡ። ካብ ለካቲት ክሳብ መወዳእታ ሰነ ኣብ ዝነበረ እዋን ሓደ ቢልዮን ዶላር ከምዝኸሰረ ኣይተ ተወልደ ገሊጹ። ኣብዚ እዋን ብዙሓት መገዲ ኣየራት ዓለም ብሰንኪ ኮቪድ-19 በረራታተን ከቋርጻ ብምግዳደን ከቢድ ክሳራታት ኣጋጢምወን ኣሎ። ገለ ካብኣን ድማ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ሰራሕተኛታተን ከፋንዋ ተገዲደን ኣለዋ። \"መገሻታት ደው ኢሉ’ዩ። 90 ሚእታዊት ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ ደው ኢለን ኣለዋ። እዚ ንሓደ መገዲ ኣየር ከቢድ ፋይናንሳዊ ቅልውላው ዘኸትል'ዩ። ዝሕባእ ኣይኮነን፤ ተሃሲና ኢና” ኢሉ። እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣጸጋሚ ኩነታት ኣቲዩ እንከሎ'ውን “ንኹሉ ኢትዮጵያዊ ዘሕብን” ስራሕ ከምዝሰርሐ ኣይተ ተወልደ ይዛረብ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ንቡር እዋን ወርሓዊ 5 ቢልዮን ብር ወጻኢ ኣለዎ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ፡ ነፈርቲ ንምዕዳግ ንዘወሰዶ ልቓሕ ምስ ወለዱ ክኸፍል ትጽቢት ይግበረሉ። ብተወሳኺ’ውን ነፈርቲ ዝተኻረየሉ ወርሓዊ ክፍሊት፣ መሃያ ሰራሕተኛታት፣ ረብሓታት፣ ዓስቢ ውዕሎ (ኣበል)፣ ንምሽፋን ዘኽእል “ሓሙሽተ ቢልዮን ብር በብወርሑ ካብ ምንታይ ኢና ክንረኽቦ ንኽእል?” ዝብል ሕቶ ኣዋጢርዎም ከምዘሎ ገሊጹ። “ዕብየት ምምጻእ ዝብል ዝነበረ ስትራቴጂና ናብ ምውሓስ ህላወ ዝብል ቀይርናዮ” ዝበለ እቲ ዋና ፈጻሚ ስራሕ፡ ገያሾ ካብ ምጉዕዓዝ ወጻኢ ንዘሎ ዕድል ክፍትሹ ኣብ ዝጀመሩሉ እዋን “ ናይ ኣገልግሎት ጽዕነት ምሃብ” ከምዝወሰኑ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። እቲ መገዲ ኣየር፡ ዓሰርተ ቦይንግ 777 ከምኡ’ውን ክልተ 737 ዓይነት ናይ ጽዕነት ነፈርቲ ምስ ኣዝዩ ዓብዪን ክሳብ ሓደ ሚልዮን ቶን ጽዕነት ከተኣናግድ ዝኽእል ተርሚናል ስለዘለዎ ከም ጽቡቕ ዕድል ፈጢሩሉ'ዩ። እቲ ናይ ካርጎ ተርሚናል ምስ ናይ ኣብ ሲንጋፖር፣ ሆንግኮንግን ኣምስተርዳምን ከምዝወዳደር ይግለጽ። ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን ናውቲ ምክልኻል ኮቪድ-19 ኣዝዩ ዝድለየሉ ስለዝነበረ ነቲ ጠለብ ዕዳጋ ኣብ ረብሕኡ ብምውዓል፡ ናብ ኣውሮጳ፣ ደቡብ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ብዙሕ ንብረት ከበጻጽሕ ከምዝኸኣለ ኣይተ ተወልደ ይገልጽ። ጠለብ ዕዳጋ እናወሰኸ ብምምጽኡ ድማ እተን ዝነበርኦ ነፍርቲ ጽዕነት እኹላት ክኾና ብዘይምኽኣለን 25 ነፈርቲ መጓዓዝያ መንበረን ብምልዓል ብቕልጡፍ ናብ ናይ ካርጎ ክቕየራ ተገይሩ። ነዚ ምግባር ኣብ ዝተኽኣለሉ እዋን ዝተረኸቡ ረብሓታት ከኣ ሰራሕተኛታት ዘይምስንባት፣ መሃያ ዘይምንካይ፣ ጥቕማ ጥቕሚ ዘይምጉዳልን ዝኾነ መጠን ገንዘብ ካብ ካልእ ኣካል ብሓገዝ ዘይምሕታትን ከምዝኾኑ ኣይተ ተወልደ ኣረዲኡ። ከምዚ ብምግባር ከኣ ሰራሕተኛታት ኣብ ምስንባት፡ ማህያ ምንካይን ከምኡ'ውን ካብ ካልእ ኣካል ገንዘባዊ ሓገዝ ካብ ምሕታት ከምዝደሓኑ ገሊጹ። “ኣብቲ እዋን ንመካየዲ ስራሕ ዝኸውን ገንዘብ ኣይሓተትናን፡ ልቓሕ እንመልሰሉ ክናውሐልና ኣይሓተትናን” ብምባል ነቲ ናይ ለበዳ እዋን ብኸመይ ክሰግርዎ ከምዝኸኣሉ ዘርዚሩ። ኣስዒቡ ድማ “መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንስፐይን እውን ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሓጊዙ እዩ። ንምክልኻል ኮቪድ-19 ዘገልግሉ ናውቲ ብምብጻሕ ማለት’ዩ። እዚ ከኣ ህይወት ከም ምትራፍ እዩ” ኢሉ። ኣብ ፖርቱጋል፣ ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ እንግሊዝ፣ ኣሜሪካ፣ ካናዳ፣ ብራዚልን ኣፍሪቃን ክበጽሕ ዝነበረ ከቢድ ሓደጋ ንምክልኻል ዝሕግዙ ናውቲ ሕክምና ብእዋኑ ክበጽሕ ብምግባሮም፡ ዝተፈላለያ ሃገራትን ህዝብታትን ንመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዓብዪ ክብርን ውዕለት ኣለዎም ክብል ገሊጹ። “ካብ ጃክ ማ ፋውንዴሽን ዝተለገሱ ናውቲ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ካብ ቻይና ብምምጻእ ኣብ ውሽጢ 6 መዓልታት ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣባጺሕና ኢና። እዚ ቅልጣፈና ናእዳ ረኺቡ እዩ” ክብል ጃክ ማን ሃገራት ኣፍሪቃን ነቲ ስራሕ ከምዝነኣዱ ኣይተ ተወልደ ሓቢሩ። በዚ ምኽንያት ከኣ ትካል መግቢ ዓለም ንኣዲስ ኣበባ ከም ማእከል መከፋፈሊ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ክትከውን ከምዝኸኣለት ብኣብነት ጠቒሱ። “ንበዓልና ረቢሕና፤ ነቲ መገዲ ኣየር ኣድሒንና፤ ሰራሕተኛታት ከየሰናበትናን መሃያ ከይነከናን ህይወት ክነትርፍ ብምኽኣልና ሓበን ይስምዓና” ክብል ወሲኹ ተዛሪቡ። እቲ መገዲ ኣየር ቅድም ክብል ሓሙሽተ ሰራሕተኛታቱ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ ብምዝኽኻር ኩሎም ሓውዮም ምውጽኦም ተዛሪቡ። ኣብዚ እዋን ድማ ካልኦት ክልተ ኣባላቱ እቲ ቫይረስ ስለዝተረኸቦም እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ዘዳለዎ መወሸቢ ማእኸል ሕክምናዊ ክትትል ይግበረሎም ከምዘሎ ሓቢሩ። እቲ መገዲ ኣየር ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝሕግዙ ስራሕቲ ብግቡእ ከምዘፈጽም ዘሎ ዝተዛረበ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ኣይተ ተወልደ “በረራ ብዘይምቁራጽና ነዚ ተሞክሮ ክንረክብ በቒዕና’ለና” ኢሉ።","category":"መጓዓዝያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53080351"} {"headline":"ምክልኻል ሓደጋ ትራፊክ ኣብ ኤርትራ","content":"ካብ ኣስመራ ናብ ባጽዕ ዝወስድ ጽርግያ ጸድፍን ጥውይዋይን ይበዝሖ። ካብዚ ብምብጋስ እምበኣር ኣብ ወሰናወሰን መገዲ ኣብ ከውሕን ጎቦን ዝተጽሓፉ ካብ ሓደጋ ትራፊክ ዘጠንቅቑ መልእኽትታት ኣለዉ።","category":"መጓዓዝያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50245249"} {"headline":"መገዲ ትግራይ-ኣዲስ ኣበባ ክፉት ድዩ?","content":"ክልል ኣምሓራ ኣቋሪጹ ዝሓልፍን ትግራይ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዘራኽብን መገዲ፡ ተዓጽዩ'ዩ ኣይተዓጸወን ዝብል ጉዳይ፡ መካትዒ እዚ ቕንያት ኮይኑ ጸኒሑ። ኣመራርሓ ዞባ ክልል ኣምሓራ እቲ መገዲ ኣይተዓጸወን እንትብሉ፡ ቢሮ መገድን መጓዓዝያን ትግራይ ብወገኑ፡ ሰባት ንድሕነቶም ስለ ዝሰግኡ ኣንፈት ክቕይሩ ተገዲዶም'ዮም ይብል። ኣቶ ጸሃይነው ሲሳይ ሓላፊ መምርሒ መገድን መጓዓዝያን ዞባ ሰሜን ወሎ ኮይኑ፡ \"ሕጂ ናብ መቐለ ይኹን ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣጓጎለ ዝኾነ ዓይነት ጉዕዞ የለን። ነዊሕ መስመር ዝጉዓዛ ኣውቶብሳት ይሓልፋ ኣለዋ\" ኢሉ። ካብ ወልዲያ ተበጊሰን ብኮረም ናብ ሰቖጣ ዝኸዳ ተሽከርከርቲ ድማ ስምሪተን ሒዘን ይሰርሓ እየን ዝብል ኣቶ ጸሃይነው፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ብምኽንያት ምዕጻው መገዲ ዝተቋረጸ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ከም ዘየለ ተዛሪቡ። \"ቅድሚ ሕጂ ብዓፋር ተለዋጢ መገዲ ይጥቀሙ ነይሮም\" ዝብል እቲ ሓላፊ፡ ደሴ ደብረብርሃን ኣቋሪጹ ካብ ወልዲያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝወስድ መገዲ በዝሒ ዘለዎ መግትኢ ናህሪ ትሕተ ቕርጺ ብምህላዩ፡ ካብዚ ንምህዳም'ዮም ናይ ዓፋር መገዲ ዝጥቀሙ ክብል ይገልጽ። \"ናህሪ ዝገትኡ ቦታታት ብምብዝሖም 'ኣብ ተሽከርከርትን ተጉዓዝትን ሓደጋ ይበጽሕ'ዩ ዘሎ፤ ኣብ ሰዓትና ኣይንበጽሕን ዘለና' ብምባል፡ ታሕተዋይ ተለዋጢ መገዲ [ዓፋር] ይጥቀሙ ነይሮም። ንሕና ድማ ምስ ሰበ ስልጣን መገዲ ፌደራል ብምዝርራብ እቶም መግትኢ ናህሪ ክለዓሉ ብምግባር እቲ መገዲ ክፉት ኮይኑ'ዩ\" ይብል ኣቶ ጸሃይነው። ሓላፊት ቢሮ ኮንስትራክሽን ፣ መገዲን መጓዓዝያን ክልል ትግራይ ወይዘሮ ኣልማዝ ገብረጻድቕ ብወገና ስግኣታት ድሕነት ስለ ዝተኸሰቱ ህዝቢ ኣማራጺ መገዲ ክጥቀም ከም ዝተገደደ ገሊጻ። \"ካብ መዛዘሚ 2010 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ጀሚሩ ስግኣታት ጸጥታ ስለ ዝነበሩ ህዝቢ መገዲ ክቕይር ተገዲዱ\" ክትብል ተረድእ። ብክልል ዓፋር ዝግበር ጉዕዞ ብሎጊያ፣ ሰመራን ኣዋሽን ኣቢሉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዘብጽሕ ብምግላጽ፡ ዋላ'ኳ ርሕቐት ናይዚ መስመር እንተወሰኸ ሕብረተሰብ ነቲ ኣማራጺ ክጥቀም ተገዲዱ'ዩ ዝብል መብርሂ እያ ሂባ። እቲ ዓቕሚ ዘለዎ ክፋል ሕብረተሰብ ድማ መጓዓዝያ ነፋሪት ይጥቀም ኣሎ ዝበለት ወይዘሮ ኣልማዝ፡ \"ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ምስ መንግስቲ ፌደራልን ሚንስትር መጓዓዝያን ኣብ ዝነበረና ገምጋም 'መንግስቲ ስለ ምንታይ ሓላፍነቱ ክፍጽም ኣይከኣለን?' ብዝብል ኣልዒልናዮ ነይርና። ክሳብ ሎሚ ግን ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን\" ኢላ። ኣቶ እጅጉ መላኩ ድማ፡ ወኪል ሓላፊ መምርሒ ድሕነትን ሰላምን ዞባ ደቡብ ወሎ'ዩ። ልክዕ ከም ኣቶ ጸሃይነው እጅጉ፡ \"ብኸባቢና ተሽከርከርቲ ይሓልፋ ኣለዋ'የን። ሕጂ ዝኾነ ዓይነት ጸገም የለን\" ብምባል፡ ክልለ ኣምሓራ ኣቋሪጹ ትግራይ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዘራኽባ መስመር ከም ዘይትዓጸወ ይዛረብ። \"ኣብዚ ሕጂ እዋን በዓል መዚ መገዲታት ፌደራል እቶም መግትኢ ናህሪ ከፍርስ ከሎ ዝተቖጥዑ መናእሰይ፡ እቲ መገዲ ንዝተወሰኑ ሰዓታት ዓጽዮምዎ ነይሮም። ካብዚ ወጻኢ እንፈልጦ ነገር የለን\"። \"ጣፍን ኣባጊዕን ካብ መኪና ተወሲዱና ዝብል ዝጸንሐ ነገር'ዩ። እዚ ዝሓለፈ ዓመት ዝተፈጥረ ጸገም'ዩ። ሕጂ ከምዚ ዓይነት ዜና ኣይሰማዕናን\" ዝብል ኣቶ እጅጉ፡ አብቲ እዋን ጥርዓኖም ንዘስምዑ ውልቀሰባት፡ \"ገንዘብ ክኽፈሎም መምርሒ ተዋሂቡ ነይሩ\" እዩ ኢሉ። ኣይተ ተኣምራት ዮሴፍ ሓላፊ ህዳሰ ማሕበር ሰብ ዋና ኣውቶብሳት እዩ። እቲ ማሕበር ከኣ ናብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ኢትዮጵያ ዘዋፍረን ኣውቶብሳት ኣለውኦ። \"ቅድም ስሩዕ ብዝነበረ መስመር ደሴ ኢና ንጥቀም ነይርና። ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ግን [ብሰንኪ ጸጥታዊ ኩነታት] ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መተሃራ፣ ኣዋሽ ካብኡ ድማ ብዓፋር ገይርና ኢና ንመቐለ ንኣቱ። ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ሽረ፣ ራማ፣ ዓድዋን ኣኽሱምን ዝጓዓዙ ከኣ መስመር ዓፋር እዮም ዝጥቀሙ\" ክብል ነቲ ዘሎ ኩነታት የረድእ። ንሱ ከም ዝበሎ ካብ መቐለ ናብ ደሴ ይግበር ዝነበረ ጉዕዞ ካብ ዝቋረጽ ሓደ ዓመት መሊእዎ'ሎ። \"ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ትግራይ ዝጓዓዛ መኻይን ናይ ትግራይ ምዃነን ስለዝፍለጥ ክቃጸላ ይግበር። እንተዘይኮይኑ ድማ ቤትሮአን ይስበር\" ይብል። ውሲኹ ድማ \"ናይ ቅድሚት ቤትሮ ልዕሊ 100 ሽሕ ዋጋ እዩ ዘውጽእ። 20 ሽሕ ንምርካብ 100 ሽሕ ንኸስር ማለት እዩ። ድሕነት ተጓዓዝቲ'ውን ኣብ ሓደጋ ዝወደቐ እዩ ነይሩ። ካብ መኪና ክወርዱ እናተገበረ ታሴርኦም (መለለዪ መንነት) እናተርኣየ ይዝረፉ ነይሮም\" ክብል ለውጢ ኣንፈት ክግበር ወይ ገለ መስመራት ጉዕዞ ኣገልግሎት ከቋርጹ ከም ዝተገበረ ይዛረብ።","category":"መጓዓዝያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49327790"} {"headline":"ኣብ ፈለግ ኮንጎ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጃልባ ብውሕዱ 60 ሰባት ጥሒሎም","content":"ኣብ ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግልባጥ ጃልባ ብውሕዱ 60 ሰባት ከም ዝጠሓሉ ሰበስልጣን ሓቢሮም። ኣብቲ ኣብ ፈለግ ኮንጎ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣስታት 200 ካልኦት ዛጊት ሃለዋቶም ከም ዘይተፈልጠን፡ ኣስታት 300 ከም ዝድሓኑን ተፈሊጡ'ሎ። እታ ብለይቲ ትጓዓዝ ዝነበረት ጃልባ ኣብ ከባቢ ርእሰ ከተማ ኪንሻሳ ምስ ከውሒ ብምግጫዋ'ዩ እቲ ሓደጋ ስዒቡ። ጃላቡ ብለይቲ ክጓዓዛ ክልኩል ምዃኑ ይፍለጥ። ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሕማቕ ኩነታት ጽርግያታት፡ ብዙሓት ሰባት ንሩሑቕ ቦታታት ንምጉዓዝ ጃላቡ ክጥቀሙ ከም ዝመርጹ ይንገር። ሚኒስተር ሰብኣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ስቲቭ ቢካዪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እታ ጃልባ ልዕሊ ዓቕማ ተጻዒና ምንባራን ካብ ሕጊ ወጻኢ ብለይቲ ትጓዓዝ ከም ዝነበረትን ዝገልጽ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖ ተዛሪቡ። \"እዞም ምኽንያታት ጠንቂ ናይቲ ሞት 60 ሰባት ዘስዓበ ሓደጋ'ዮም። ክሳብ ሕጂ 300 ከነድሕን ኪኢልና ኣለና። ነቶም ካልኦት ንምርካብን ናይ ሂወት ኣድሕን ጻዕርታት ይቕጽል ኣሎ\" ኢሉ። ሓደ ኣፈኛ ዞባዊ መንግስቲ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ጃልባ ብሰንበት ሰዓት 8 ናይ ምሸት'ዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙዋ ክብል ተዛሪቡ። \"ነበርቲ ናይቲ ከባቢ፡ ሬሳታት ኣብቲ ፈለግ ጸምበለል ይብሉ ኣለዉ ኢሎም ነጊሮምና\" ክብል ቻርለስ ቡታሙንቱ ንኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ጠቒሱ። እታ ካብ ርእሰከተማ ኪንሻሳ ዝተበገሰት ጃልባ፡ ናብታ ኣስታት 700 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ርእሰከተማ ኣውራጃ ኢኳቶር ትጓዓዝ ከምዝነበረት እቲ ኣገልግሎት ዜና ሓቢሩ። ኣብታ ሃገር ከምዚ ዓይነት ናይ ጃልባ ሓደጋታት ብቐጻሊ ከጋጥሙ ምጽንሖም ይፍለጥ። መብዛሕትኡ እዋን፡ ዋላ'ኳ መብዛሕትኦም ክሕንብሱ ዘይክእሉ እንተኾኑ እቶም ተጸቓቒጦም ዝስቀሉ ተጓዓዝቲ ናይ ድሕነት ጃኬት ኣይወሃቦምን'ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ኣብ ቀላይ ኪቩ ኣብ ዘጋጠሙ ክልተ ተመሳሰልቲ ሓደጋታት 167 ሰባት ምማቶም ይዝከር። ድሕሪ'ቲ ሓደጋ ፕረዚደንት ፈሊክስ ቺሰከዲ፡ ናይ ድሕነት ጃኬት ኣብተን ጃላቡ ግድነት ክኸውን ኣዚዙ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ክንደይ ካብዞም እዚ ናይ ሎሚ ሓደጋ ዘጋጠሞም ሰባት እቲ ጃኬት ተዋሂብዎም ነይሩ ዝተፈልጠ የለን።","category":"መጓዓዝያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56087974"} {"headline":"ናይጀርያ፡ ነዳዲ ኣብ ዝጸዓነት መኪና ዘጋጠመ ነትጒ 25 ሰባት ቀቲሉ","content":"ኣብ ናይጀርያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ፡ ብውሕዱ 25 ሰባት ሞይቶም። እቲ ኣብ ማእከላይ ዞባ ዞባ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ሓንቲ ናይ ነዳዲ ቦጥ ምስ ካልኦት ተሽከርከርቲ ድሕሪ ምግጫዋ ዝሰዓበ'ዩ። እቶም ግዳያት፡ ተምሃሮ ዝርከብዎም ሓለፍቲ መንገዲ ከም ዘለውዎም ጸብጻባት ሓቢሮም። እቲ ሎሚ ኣብ ከተማ ሎኮጃ: ኣብ ዓብዪ ጽርጊያ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ እታ ነዳዲ ዝጸዓነት መኪና ፍጥነት መቆጻጸሪኣ ክሰርሕ ስለዘይከኣለ ካብ ቁጽጽር እቲ ዘዋሪ ብምዃና ከምዝተፈጠረ ፖሊስ ሓቢሩ፡፡ ተመሳሳሊ ሓደጋታት ኣብ ጎደናታት ናይጄርያ ልሙድ ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ፡፡ ብዙሓት ግዳያት እቲ ሓደጋ፡ መንነቶም ንፍላይ ብዘጸግም ከምዝነደዱ ወሃብቃል ፖሊስ ከተማ ሎኮጃ ዊሊ ኣያ ሓቢሩ፡፡ እቶም ተምሃሮ ሓዊሱ መብዛሕትኦም ግዳያት መገዲ ዘቋርጹ ተጓዓዝቲ ከምዝኾኑ እውን መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ፡ ኣብ ማእኸል ከተማ ሌጎስ ክልተ ነዳዲ ዝጸዓና መካይን ተጋጭየን ኣርባዕተ ሰባት ሞይቶም እዮም፡፡","category":"መጓዓዝያ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54271852"} {"headline":"ኮቪድ፡ ኣመሪካ ንተጉዓዝቲ ውጽኢት ምርመራ ምሕታት ደው ክተብል እያ","content":"ኣመሪካ ናብታ ሃገር ብነፋሪት ንዝኣትዉ ተጓዓዝቲ ካብ ኮቪድ ነጻ ምዃኖም ዘመልክት መረዳእታ ከቕርቡ ምሕታት ደው ከምእተብል ገሊጻ፡፡ እታ ሃገር ብምኽንያት ኣብ ምክልኻል እቲ ቫይረስ ዘርኣየቶ ‘‘ዓብዪ ምምሕያሽ’’ ነቲ ስጉምቲ ክትወስድ ከምዝኸኣለት ሰብ መዚ ገሊጾም፡፡ ስድራቤታት ምስ ኮቪድ ብዝተኣሳሰር ክበጽሖም ዝኽእል ምንክልባት ብምስጋእ ጉዕዞታት ምቕናሶም ኣብ ኢንዱስትሪ መጓዓዝያ ዘውረዶ ሃስያ ንምቕያር እቲ ሕጊ ምኽንያት ከምዝኾነ እውን እቶም ሰብመዚ ተዛሪቦም፡፡ እቲ መምርሒ ካብ ጽባሕ ሰንበት ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እዩ፡፡ ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኸልን ሕማማት ኣመሪካ፡ ነቲ ዝተገበረ ምምሕያሽ ን 90 መዓልቲታት ከምዝምርምሮ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ኣሉታዊ ሳዕቤን እንተተራእዩ ግና እቲ ምምሕዳር ብቕልጡፍ ስጉምቲ ከምዝወስድ ተገሊጹ፡፡ ኣመሪካ ነቲ ብነፋሪት ናብታ ሃገር ዝመጹ ገያሾ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ዝተወሰደ ነጻ ምዃኖም ዘርእይ መረዳእታ ከቕርቡ ወይ ኣብ ቀረባ ካብቲ ቫይረስ ከምዝደሓኑ ከርእዩ ዘገድድ ሕጊ ኣብ ጥሪ 2021 እያ ኣተኣታትያቶ ነይራ፡፡ እንተኾነ መብዛሕተኦም ኣመሪካውያን ዘይኮኑ፡ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ሰባት ሕዚ እውን ክታበት ኮቪድ-19 ዝወሰዱ ክኾኑ ይሕተቱ፡፡ ዋላኳ ካብ ቀረባ እዋናት ኣብታ ሃገር ለብዒ ኮቪድ ወሰኽ የርእይ አንተሎ፡ ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ኣዐርዩ ክጎድል ጸኒሑ እዩ፡፡ ብዝሒ ክታበታት ስዒቡ፡ ቁጽሪ ሞት እውን ኣዐርዩ ቀኒሱ እዩ፡፡ ሃገራት ብሪጣንያ፣ ካናዳን ጣልያንን ኩሎም ምስ ምርመራ ኮሮናቫይረስ ዝተሓሓዙ መምርሒታት ሰሪዘን እየን፡፡ ኣመሪካ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ንሕውየት ኢንዳስትሪ መጓዓዝያ ኣመሪካ ከምዝሕግዝ ማሕበር መጓዓዝያ እታ ሃገር ክገልጽ እንከሎ፡ ማሕበር ዓምለኻዊ መጓዓዝያ ኣየር እውን ‘‘ጽቡቕ ዜና’’ ብምባል ነቲ ስጉምቲ ንኢዱ፡፡ መጽናዕቲ ማሕበር መጓዓዝያ ኣመሪካ ከምዝሕብሮ፡ ናይ ምርመራ መረዳእታ ክተርፍ ምግባር ኣብዚ ዓመት ተወሰኽቲ 5.4 ሚልዮን በጻሕቲ ናብታ ሃገር ክመጽኡን ንመጓዓዝያ ዝግበር ወጻእታት ብ 12 ምኢታዊት ክውስኽ ዘኽእልን እዩ፡፡","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c10n4mj71vlo"} {"headline":"መገዲ ኣየር ኳንታስ፡ ላዕለዎት ሓለፍቱ ኣብ ምጽዓንን ምርጋፍን ሳንጣታት ክሰርሑ ጸዊዑ","content":"ኣውስትራልያዊ መንገዲ ኣየር ኳንታስ፡ ንዝተፈጥረ ጽዑቕ ሕጽረት ሰራሕተኛታት ንምቅላል ላዕለዎት ኣካየድቲ ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ምግዓዝ ሳንጣታት ክሰርሑ ሓቲቱ። ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ትካል፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሲድኒን መልበርንን ዝሰርሑ ብውሑዱ 100 ወለንተኛታት ይደሊ ኣሎ። እቶም ስርሓት ሳንጣታት ምጽዓንን ምርጋፍን ከምኡ’ውን ሳንጣታት ዝጽዕና መኻይን መዓርፎ ነፈርቲ ምዝዋር ይርከብዎም። ኳንታስ ልክዕ ከም መብዛሕትኡ ዓለማዊ ኢንዱስትሪ መንገዲ ኣየር፡ ሃገራት ዶባተን ዳግማይ ይኸፍታ ብምህላወን፡ ኣገልግሎቱ ንምጅማር ይጽዕር’ዩ ዘሎ። ዋና ኦፕሬቲን ኦፊሰር ኳንታስ ኮሊን ሂዩዝ ንቢቢሲ ኣብ ዝለኣኾ ኢመይል፡ \"እቲ ልዑል መጠን ጉንፋዕ ክረምትን ኣብ መላእ ሕብረተሰብ ዝረአ ዘሎ ምውሳኽ ኮቪድን፡ ምስቲ ዝቕጽል ዘሎ ሕጽረት ሸቃሎ ተደሚሩ፡ ኣብ ዓቕሚ ሰብ ብድሆ ይኸውን ኣሎ\" ኢሉ። ሂዩዝ ወሲኹ፡ \"ብርግጽ ኣብ ልዕሊ'ቲ ምሉእ ግዜ ስራሕካ ነዚ ስራሕ ክትመርጽ ኢኻ ዝብል ትጽቢት የለን\" ክብል ኣፍሊጡ። እቶም ሓለፍትን ኣካየድትን ስራሕ፡ ኣብቲ ኣገልግሎት ምውራድን ምፅዓንን ሳንጣታ ኣብ ሰሙን ንሰለስተ ወይ ሓሙሽተ መዓልታት ክሰርሑ እዮም ተሓቲቶም ዘለዉ። ኣብ ሓደ እብረ ንመዓልቲ ኣርባዕተ ወይ ሽዱሽተ ሰዓታት ክሰርሑ ትጽቢት ይግበር። እቲ ወግዓዊ ዝዀነ ሓበሬታ፡ ኣመልከትቲ ክሳብ 32 ኪሎ ዝምዘኑ ሳንጣታት ከንቀሳቕሱ ክኽእሉ ከምዘለዎም ኣዘኻኺሩ’ሎ። ወሃቢ ቓል ኳንታስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ \"ኣፈጻጽማ ስራሕና ንትጽቢት ዓማዊልናን ንናይ ገዛእ ርእስና ድልየትን ከማልእ ኣይጸንሐን። ነዚ ድማ ኢና ኣፈጻጽማና ንምምሕያሽ ኵሉ ኣማራጺታት ክንጥቀም ዝጸናሕና\" ኢሉ። \"ኣብ ዝሓለፈ እዋን ካብ በዓል ፋሲካ ጀሚሩ ኣብቲ ጽዑቕ ናይ ጕዕዞ እዋን ኣስታት 200 ሰራሕተኛታት ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሓጊዞም እዮም\" ክብል ኣዘኻኺሩ። ኳንታስ ሓደ ካብቶም ሃገራት ዶባተን ብምዕጻወንን በረራታት ብምቍራጸንን ኣዝዮም ዝተሃሰዩ መገዲ ኣየራት እዩ። እቲ ኢንዱስትሪ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰራሕተኛታት ከምዝነከየ ይፍለጥ። ዝርገሐ ኮቪድ-19 ንምቁጽጻር ኣብ መላእ ዓለም ዝውሰዱ ስጕምትታት እናተቓለሉ ኣብ ዝኸዱሉ ዘለዉ እዋን፡ ኳንታስን ካልኦት ዓበይቲ መንገዲ ኣየራትን በቲ ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝነበረ ዓቕሞም ኣገልግሎቶም ክጅምሩ ኣብ ምቅላስ ይርከቡ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c885xveyv19o"} {"headline":"መዕርፎ ነፈርቲ ሂትሮ ንጻዕቂ በረራታት ከአንግድ ከምእተጸገመ  ሓቢሩ","content":"መዓልታዊ ክሳብ 100ሽሕ ገያሾ ዘተኣናግድ ዝነበረ ኣብ ለንደን ዝዓበየ መዕርፎ ነፈርቲ ሂትሮ፡ ኣብ እዋን ኮቪድ ብዘጋጠመ ምስንኻል ኣቭየሺን ምእላይ ሰራሕተኛታትን መሳለጥያን ናብ ንቡር ክሳብ ዝመልሶ ንጻዕቂ በረራታት ከአንግድ ከምእተጸገመ ብምሕባር ሸየጥቲ ትኬት ትካላት (ኤጀንሲታት) ናይ ክረምቲ ቲኬት ምሻጥ ደው ንከብላ መምርሒ ኣመሓላሊፉ። መዓርፎ ነፈርቲ ሂትሮ፡ ናብ 185 መዓርፎ ነፈርትን 84 ሃገራትን ኣገልግሎት ዝህባ ኣስታት 80 መገዲ-ኣየር ይጥቀማሉ። እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ቀንዲ መደበር ናይ መገዲ ኣየር ብሪጣንያን መገዲ ኣየር ቨርጂን ኣትላንቲክን እዩ። ኣብ እዋን መገሻታት ሓጋይ-ኤውሮጳ መዓልታዊ ልዕሊ 100ሽሕ ገያሾ  ዘአንግድ ዝነበረ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብዚ እዋን ናብ 104ሽሕ ስለዝወሰኸ ንክንድኡ ንዝኣክል ብዝሒ ከሳሲ ከምዘይክእል ብወግዒ ገሊጹ። እቲ ምንካይ ብዝሒ ገያሾ ከኣ ክሳብ 11 መስከረም ከምዝጸንዕ ተሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ ኣብ ናይ መወዳእታ ደቓይቕ በረረኦም ዝተሰናኸለ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ገያሾ ኣብ ጸገም ወዲቖም እዮም። ምስ ለበዳ ኮቪድ ሰራሕተኛታት ዘጉደለ መዓርፎ ነፈርትን መገዲ ኣየርን ሕጂ ኩነታት ናብ ንቡር ኣብ ዝምለሰሉ ዘሎ እዋን ንብዝሒ ተጓዓዝቲ ዘአንግዱን ካብን ናብን ዘመላልሱ ሰራሕተኛታት ኣቭየሺን ንኽቖጽሩን ክምልምሉን ይቃለሱ ከምዘለው ከኣ ገሊጾም። ብፍላይ ኣብዚ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝዕጸዋሉን ስድራ-ቤታት ምስ ደቆም ንዕረፍቲ ዝገሽሉን ወቕቲ ሓጋይ፡ ጻዕቂ በረራን ተጓዓዝትን ስለዝውስኽ መዓርፎ ነፈረፍቲ ሂትሮ ዝየዳ ገያሾ ከአንግድ ከምዘይክእል ኣረዲኡ። ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ብሰንኪ ሕጽረት ሰራሕተኛታት በረራን መዓርፎ ነፈርትን ኣብ ተርሚናላት ሂትሮ ምስራዝ በረራን ምድንጓይን ምስተፈጥረ፡ ምኒስተራት፡ ንመገዲ ኣየርን ሰብ መዚ እቲ መዓርፎ ነፈርትን መደባቶም ክኽልሱ ኣዘኻኺሮም ነይሮም። ኣብ ርእሲኡ፡ ነዚ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው መንግስቲ መገዲ ኣየር ብዝገብረኦ ሃንደበታዊ ምቁራጽ በረራ ንገያሾ ዝኽፈል መቕጻዕቲ ከየጋጥመን ሓለፋን ሕድገትን ከምዝግበረለን ዝድግፍ ግዝያዊ መምርሒ ብምሃብ እቶም ኣውፈርቲ ናይ ኣቬሺን\/ መገዲ ኣየራት ናይ ሓጋይ መደባቶም ከስተኻኽሉ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ። እንተዀነ ግን ምምሕዳር መዓርፎ ነፈርቲ ሂትሮ፡ እተን መገዲ ኣየራት፡ ካብቲ መዓልታዊ ዝህበኦ ዝነበራ ቅቡል ኣገልግሎት ንላዕሊ በረራታት ከካይዳ መዲበን ከም ዘለዋ ገሊጹ ። ሓላፊ መዕርፎ ነፈረፍቲ ጆን ሆላንድ-ካየ \"ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሳምንቲ፡ ቍጽሪ ገያሾ ኣብ መዓልቲ ካብ 100,000 ስለዝበዝሐ፡ ኣገልግሎት ናብ ዘይቅቡል ደረጃ ኣንቆልቂሉ፤ ሓገዝ ዝሓቱ ገያሾ ክደናጎዩ፡ ባልጃታት ካብ ዋናታቱ ክተርፍን በረራታት ኣብ መወዳእታ ደቓይቕ ክስረዝን ርኢና። እዚ ኸኣ ቅቡል ኣይኮነን” ክብል ገሊጹ። “ኣብዚ ገያሾ ዝበዝሕሉ ናይ ዕረፍቲ እዋን ካብ 100,000 ንላዕሊ ገያሾ ከነተኣናግድ ኣይንኽእል ኢና” \"እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸ ሓበሬታ ከም ዘነጽሮ ዋላ እኳ መገዲ ኣየር በረራታት ብምስራዘን ንኸይቅጽዓ ውሕስነት እንተተዋህበን ዓቕሚ ምትእንጋድ ገያሾ ሂትሮ መዓልታዊ ካብ 100ሽሕ ናብ  104 ሽሕ ደይቡ ኣሎ” ክብል መዓልታዊ 4,000 መናብር ይሽየጥ ብምህላው ነዚ ጸቕጢ’ዚ ንምጉዳል ሂትሮ ትካላት ሸየጥቲ ቲኬት ኣብ ሓጋይ ትኬት ምሻጥ ደው ከብላ ወሲኑ። ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እውን እንተኾነ ብዝሒ ገያሾ ሂትሮ መዓልታዊ ካብ 110,000 ክሳዕ 125,000 ይበጽሕን ተጠቀምቲ እቲ መዓርፎ ነፈፈርቲ ብቐጻሊ ይውስኽ ከምዝነበረን እዩ ዝግለጽ። እንተኾነ ብሰንኪ ዝርገሐ ለበዳ ኮቪድ ሰራሕተኛታት ክጎድሉን ነፈርቲ ንነዊሕ ኣዋርሕ ኣብ መሬት ኮፍ ምስ በላን ወጻኢታት ንምንካይ ብዝተገብረ ምጕዳል ሰራሕተኛታት ዓቕሚ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝነከየ ሚስተር ሆላንድ-ካየ ይሕብር። ነቶም በቲ ውሳነ ናይ ጕዕዞ መደባቶም ክጽሎ ዝኽእል ተጓዓዝቲ ከኣ ይቕረታ ሓቲቱ። ይኹን እምበር እቲ ብዝሒ ገያሾ ናይ ምግዳብ  ስጉምቲ ዝሓሸን ዘተኣማምንን ጉዕዞ ንምክያድን ግቡእ ኣገልግሎት ንምሃብን ምዃኑ ሓቢሩ። “ነፍሲ ወከፍ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝዓዪ ሰብ ኣብ ደሓን ኩነታት ንኽነብር ግቡእ እዩ\" ከኣ ኢሉ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c9xl6zp7j2eo"} {"headline":"ሓደጋ ነፋሪት መገዲ ኣየር ፈረንሳ፡ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ዝተጀመረሉ ሓለፍቲ ኣቭየሽን ኣብ ወጥሪ ኣትዮም","content":"ናይታ ኣብ 2009 ኣብ ብራዚል ዝወደቐት ነፋሪት ንምጽራይ፡ ድሕሪ ነዊሕ ትጽቢት ኣብ ፓሪስ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ዝጀመረሉ፡ ሓለፍቲ ኣየርባስን መንገዲ ኣየር ፈረንሳን ኣብ ዓቢ ወጥሪ ኣትዮም ከምዘለዉ ተገሊጹ። እታ ኣየርባስ ኤ330 ዝዓይነታ ነፋሪት ካብ ርዮ ዲ ጃኔሮ ናብ ፓሪስ ኣብ ትበረሉ ዝነበረት’ያ ወዲቓ። ክሳብ ሕጂ ብዝተኻየደ ምጽራይ፡ ኣብራሪ እታ ነፋሪት፡ ንፍጥነት ናይታ ነፋሪትን ንንፋስን ዝዕቕን ኣካል እታ ነፋሪት ስርሑ ደው ምስ ኣበለ፡ ነታ ነፋሪት ክቆጻጸራ ስለዘይከኣለ፡ እታ ነፋሪት ክትወድቕ ከምዝኸኣለትን፡ 228 ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ገያሾን ኣባላት በረራን ብምልኦም ከምዝሞቱን እዩ ዝግለጽ። ስድራቤት ናይቶም ገዳያት፡ ፍትሒ ንክረኽቡ ንዓመታት ብእኩብ ጎስጓሳትን ጥርዓናትን ከቕርቡ ጽኒሖም’ዮም። ኣብ እዋን ምጅማር መስርሕ ፍርዲ፡ ላዕለወይቲ ሓላፊት መገዲ ኣየር ፈረንሳ ኣን ሪገይልን ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኤየር ባስ ጉይላም ፋውሪን ናይ መኽፈቲ ቃል ኣብ ዘስምዑሉ፡ ኣብቲ መጋባእያ ዝተረኸቡ ስድራ ቤት ግዳያት፡ ኡይትኦም ብምስማዕ ሸዲዶሞም። ጉይላም ፋውሪ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል “መስርሕ ፍርዲ ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ ትካሎም ንሓቕን ምርድዳእን ዝክኣሎ ከምዘበርክት ገሊጹ። ኣን ሪገይል ብወገና፡ እቲ ሓደጋ እቲ ዝኸፈአ ነቲ መገዲ ኣየር ዘጋጠሞ ሓደጋ ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ እቲ ጉዳይ ክሳብ ሕጂ መዓልቦ ከይተገበረሉ ምጽንሑ ‘ሕንከት’ ከምዝስምዓ ኣብሪሃ። በቲ ሓደጋ ወዳ ዝሞታ ዳንኤላ ላሚ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል “13 ዓመታት ነዚኣ ኢና ክንጽበ ጸኒሕና” ብምባል፡ ዋላ ይዶንጊ እቲ መስርሕ ፍርዲ ምጅማሩ ሞት ውላዳ ፍትሒ ንኽረክብ ተስፋ ከምዝሃባ ሓቢራ። እታ ነፋሪት ካብ ብራዚላዊት ከተማ ርዮ ዲ ጃኔሮ ምስ ተበገሰት፡ ድሕሪ ሰዓታት እያ ኣብ ውቅያኖስ ወዲቓ። ነታ ሰነዳት ናይ በረራ ትዕቕብ ‘ብላክ ቦክስ’ ንምርካብ ዓመታት ዝወሰደ ድልያ ድሕሪ ምክያድ፡ መርምርቲ፡ ንንፋስ ዝቖጻጸርን ንፍጥነትነት ናይታ ነፋሪት ዝሕብርን ክፋል ክሰርሕ ስለዘይክኣለ እታ ነፋሪት ክትወድቕ ከምዝኽኣለት ኣብ መደምደምታ በጺሖም። ብሰንኪ እዚ እታ ነፋሪት ኣብ 11,580 ሜትሮ ብራኽ ኣብ ዝነበረትሉ እቲ ጸገም ከምዝጀመረን፡ እቲ ተሓጋጋዚ ኣብራሪ ነፋሪት እኹል ልምዲ ስለዘይነበሮ እቲ ሓደጋ ክግታእ ከምዘይክኣለ’ዩ ኣብ ግዚኡ ተገሊጹ። ኣብ መጀመርታ፡ ቤት ፍርዲ፡ ንኣየርባስን ንመንገዲ ኣየር ፈረንሳን ብቕትለት እቶም ገያሾ’ኳ ከሲሰሞም እንተነበሩ ድሒሮም ግና ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ቀንዲ ክኽሰስ ዝግብኦ መንገዲ ኣየር ፈረንሳ’ዩ ናብ ዝብል መደምደምታ ምብጽሖም ይዝከር። ኣብ ወርሒ መስከረም 2019 ኸኣ ንኽልቲኦም ዘኽስስ መርትዖ የለን ብዝብል ክልቲኡ ክስታት ደው ከምዝብል ኮይኑ። እንተኾነ እቲ ውሳነ ብኣቤቱታ ስለዝፈረሰ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ይግባይ፡ ንኣየር ባስን ንመገዲ ኣየር ፈረንሳን ናብ ፍርዲ ከቐርቡ ወሲኑ። ክልቲኦም እዞም ዓበይቲ ትካላት፡ ኣብዚ ብዙሕ ግዜ ክወስድ ዝክእል መስርሕ ፍርዲ ብዘይካ እቲ ንግዳያት ዝውሃብ ካሕሳ፡ ክሳብ 218 ሽሕ ዶላር ክቕጽዑ ከምዝኽእሉ ብኣግኡ ተገሚቱ’ሎ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv28n35zz77o"} {"headline":"ተኣጊደን ዝጸንሓ ቦይንግ 737 ማክስ ነፈርቲ ኣብ ክሊ ኣየር ኢትዮጵያ ክበራ ፍቓድ ረኺበን","content":"ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ብሰንኪ ዝበጽሐ ሓደጋ፡ ንነዊሕ እዋን እገዳ ተነቢርወን ዝጸንሓ ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ ፡ ኣብ ክሊ ኣየር ኢትዮጵያ ክበራ ፍቓድ ከምዝሃበ፡ በዓል መዚ ሲቪል ኦቪዬሽን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ በዓል መዚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እተን ነፈርቲ፡ ካብ ትማሊ ብኣቆጻጽራ ግእዝ 3 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ፡ ኣብ ክሊ ኣየር ኢትዮጵያ ክበራ ይኽእላ ምዃነን ሓቢሩ። ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቁጽሪ በረራ ኢቲ-302 ቦይንግ 737 ማክስ፡ ይጓዓዙ ዝነበሩ 157 ተሳፈርትን ሰራሕተኛታት በረራን ምኽንያት ሞት ዝኾነ ሓደጋ ምስ በጽሐ እዩ፡ እተን ነፈርቲ ኣብ ሰማይ ከይበራ ተኸልኪለን ጸኒሐን። መጋቢት 1 ቀን 2011 ዓ.ም ዝበጽሐ ሓደጋ ስዒቡ፡ ቦይንግ 737 ማክስ ነፈርቲ፡ ካልእ መምርሒ ክሳብ ዝወጽእ ኣብ ክሊ ኣየር ኢትዮጵአያ ከይበራ ኣጊዱ ነይሩ። ኮይኑ ግና፡ ምምሕዳር ፌዴራል ኣቬሽን ኣመሪካ፡ ኣብ'ዚ ሕዚ እዋን፡ ጠንቂ እቲ ጸገም ብምፍላይ፡ ፍታሕ ከምዝገበረ ዘመልክት መምርሒ ምውጽኡ ስዒቡ እዩ እቲ እገዳ ተልዒሉ ዘሎ። በዓል መዚ ሲቪል አቪዬሽን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ እተን ነፈርቲ ዝተገብሩ ምምሕያሻት ዲዛይን፣ መምርሕታት በረራን ስልጠናን ብዝግባእ ከምዝፈተሸ ድማ ገሊጹ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያውን ነቶም መምርሒታት ተግባራዊ ምግባሩ ድሕሪ ምርግጋጹ ነቲ እገዳ ምልዓሉ ሓቢሩ። ኩባኒያ ቦይንግ፡ ምስቶም ብ2019 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ብሰንኪ ሓደጋ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ማክስ 737 ግዳያት ዝኾኑ ስድራቤት ኣብ ስምምዕ ምብጽሑ ዝዝከር እዩ። ብመሰረት ኣብ ቺካጎ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ድማ፡ እቲ ኣፍራዪ ነፈርቲ ብሞት እቶም ተጉዓዝቲ ተሓታቲ ክኸውን ተሰማሚዑ። እቶም ስድራ ግዳያት ድማ ካብቲ ኩባኒያ ናይ መቕጻዕቲ ካሕሳ ኣይሓቱን። ጠበቓታት እቶም ስድራ ግዳያት ቦይንግ \"ሙሉእ ንሙሉእ ተሓታቲ\" ከም ዝኸውን ብምግላጽ እቲ ስምምዕ ከም ዓብዪ ምዕራፍ ተቐቢሎምዎ። እዚ ስምምዕ፡ ካብ ኣመሪካ ወጻእ ዘለው ስድራቤታት [ኣብ ከም ኢትዮጵያን ኬንያን] ኣብ ክንዲ ኣብ ሃገሮም ብኣብያተ ፍርዲ ኣመሪካ ኣቢሎም ካሕሳ ክሓቱ ዘኽእሎም ከም ዝኾነ ተገሊጹ። ዋንነታ ናይ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነት ቦይንግ ምስ ተሓምሸሸት ዕዳጋ መሸጣ ነፈርቲ ቦይንግ ነክዩ'ዩ። እተን ነፈርቲ መርመራ ክሳብ ዝካየድ ን20 ኣዋርሕ ጠጠው ክብላ ተገይሩ ጸኒሑ። ሕጂ ግን ኩባኒያ ቦይንግ ኣብ ሶፍትዌርን ስልጠናን ምምሕያሽ ገይረ'የ ብምባሉ ናብ ስራሕ ክምለሳ ተፈቒዱለን ኣሎ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61078407"} {"headline":"ኣብ ጕዕዞ ነፈርቲ ሳንጣኹም ንኸይጠፍእ ዝሕግዝ ቴክኖሎጂ","content":"ጀተኒ ሉካስ፡ መበል 40 ዓመት ልደታ ኣብ ግሪኽ ክተኽብር እንከላ ዝተሳእለቶም ኣሳእል፡ ነቶም ምስ ዝጠፍአ ሳንጣኣ ዝጠፍኡ ክዳውንታን ኣዋርቓን ስለ ዘዘክርዋ፡ መመሊሳ'ያ ትርእዮም። መዓልቲ ልደታ ጸንቢላ፣ ደስ ኢልዋ ንብረታ ጠርኒፋ ናብ ለንደን ክትምለስ እንከላ ግን ሳንጣኣ ጠፊኡ። “ደስ ዝብል ግዜ’የ ኣሕሊፈ፤ ግን ኵሉ ሃሲሱ። ነቶም ኣሳእል እናርኣኹ፡ ‘እውይ . . . እዚ’ውን እባ ኣብቲ ሳንጣ’ዩ ነይሩ’ እብል።” ድሕሪ ክልተ ወርሒ፡ መገዲ ኣየር ኢዚጀት፡ ሳንጣኣ ጠቕሊሉ ከም ዝጠፍአ ዘረጋግጽ መልእኽቲ ልኢኹላ። ወሃቢት ቃል ኢዚጀት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል’ውን \"ኣመና ሓዚንና ኢና፤ እዚ ክፈጥሮ ዝኽእል ሕርቃን’ውን ይርድኣና እዩ” ኢላ። ኣብዚ ጕዳይ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ዝሕተሙ ዝነበሩ ጋዜጣታትን ማሕበራዊ ሚዲያን ዘውጽእዎም ዝነበሩ ሓበሬታታት ስዒቡ፡ ብዙሓት ወሃብቲ ርእይቶ ነቲ ኵነታት “ወቕቲ ዝጠፍኡ ሳናጡ” ብምባል ገሊጾምዎ’ዮም። እቲ ክስተት፡ ብሰንኪ ሕጽረት ሰራሕተኛታት፡ ሳንጣ ፈቲሾም ዘእትው ኣካላት ጸጥታ መገዲ ኣየርን በቶም ሳንጣ ተጓዓዝቲ ናብ ነፋሪት ክጽዕኑን ከውርዱን ዝተቘጽሩ ሰራሕተኛታት ዘጋጠመ’ዩ ተባሂሉ ተነቒፉ። ኩባንያ መድሕን ስጳኛ - ማፕፍሪ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ቍጽሪ'ቶም ሳንጣ ጠፊኡና ዝብሉ ተጓዓዝቲ 30 ሚእታዊት ከም ዝበጽሐ ይሕብር። እዚ ልዕሊ እቲ ኣብ 2019 ዘጋጠመ’ዩ። ኣብዚ ዓመት፡ ብደረጃ ዓለም ዘጋጠመ ምድንጓይ ወይ ምጥፋእ ሳናጡ ዘመላኽት ሓበሬታ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ብ2019 ዝወጽኡ ሰነዳት ግን እቲ ጸገም ከም ዝነበረ የርእዩ። ኣብ ኢንዳስትሪ መጓዓዝያ ኣየር ሓበሬታ ኣቍሑ ዝህብ ሲታ [SITA] ዝተባህለ ሶፍትዌር፡ ኣብቲ ግዜ ብደረጃ ዓለም 19 ሚሊዮን ሳናጡ ደንጕዮም ናብ ዋናታቶም ከም ዝበጽሑን፡ 1.3 ሚሊዮን ድማ ከም ዝጠፍኡን የመልክት። ዝተበላሸውን ዝተዘምቱን ሳናጡ ሓዊሱ፡ ኣብ ሳንጣ ነፍሲ ወከፍ ሓደ ሽሕ ተጓዕዝዝቲ ድማ፡ 5.6 ኣቝሑ “ሕማቕ ኣተሓሕዛ” ገጢሙዎም። ካብዚ ብዝብገስ፡ ብዙሓት ተጓዓዝቲ ሳናጡኦም ንምሕላው ዘኽእሎም ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ጀሚሮም ኣለው። ብቐንዱ፡ ከም ኣፕል ኤይር ባግ ዝበለ ሳንጣ ዘለወሉ ኣድራሻ ክሕብር ዝኽእል ጂፒኤስ ኣብቲ ሳንጣ ክለግብ ይገብሩ ኣለው። እዚ፡ ሞባይል ወይ ኮምፒዩተር ተጠቒምካ እቲ ዝጠፍአ ሳንጣኻ ኣበይ ምህላው ክትፈልጥ ዘኽእል'ዩ። ብሉምበርግ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሓደ ካብ ካሊፎርኒያ ናብ ስኮትላንድ ንመርዓ ዝተጓዕዘ ሰብኣይ፡ ሳንጣኡ ናብ ቶሮንቶ ካናዳ ቀጺሉ ድማ ናብ ዲትሮይድ ክኸይድ ርእይዎ ይብል። ከምዚኦም ዝበሉ መተግበሪታት፡ ተጓዓዝቲ ብመጠኑ ቅሳነት ክረኽቡ እንተሓገዙ’ውን፡ እቲ ጸገም ምሉእ ብምሉእ ዝውገድ ከም ዘይኰይኑ ግን ክኢላ ኢንዳስትሪ ጕዕዞ ኤሪክ ሊዮፖልድ ይዛረብ። “እዞም ምልክት ዝህቡ መተግበሪታት፡ 99 ሚእታዊት ኣብ ሰዓቱ ዝበጽሕ እሞ እቲ ጸገም ሓደ ሚእታዊት ጥራይ እንተዀይኑ ሓገዝቲ እዮም። ኣሽሓት ሳናጡ ኣብ ለንደን ወይ ካልእ ኣብ ዝጠፍኡሉ ግዜ ግን፡ ሓገዝቲ ኣይኰኑን” ይብል። ሲትሩ [SeeTrue]፡ መገዲታት ኣየርን መዓርፎ ነፈርትን ሳንጣ ተጓዓዝቶም ብግቡእ ናብ ነፈርቲ ንኽጽዓን ዝሕግዝ ኩባንያ እዩ። እዚ ኩባንያ እስራኤል፡ ኣብ መእተዊ መገዲ ኣየር ኣብ ዝግበር ፈተሻ፡ ሰባት ካብ ዝሰርሑዎ ንላዕሊ ዝቐልጠፈ ኣገልግሎት ክህብ ዝኽእል ሶፍትዌር ይሰርሕ። “ሲትሩ፡ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስን ኮምፒዩተር ኣልጎሪዝምን ተጠቒሙ፡ ኣብ ሳንጣ ምሓዝ ዝተኸልከሉ ነገራት የለሊ። እዚ ኣብ ልክዕ ሰዓት፡ ዝቐልጠፈን ዝተጻፈፈን ስራሕ ክሰርሕ ዝኽእል’ዩ። በዚ፡ እቲ ሳንጣ ኣብ ሰዓቱ ናብ ነፈርቲ ይበጽሕ፤ ንድሕሪት ክተርፍ’ውን ኣይክእልን” ይብል ዋና ፈጻሚ ስራሕ ኣሳፍ ፍረንኬል። ኤየርፖርተር [Airporter] ዝተባህለ ኩባንያ ቴክኖሎጂ ዓዲ ኢንግሊዝ ድማ፡ ተጓዓዝቲ ቅድሚ ሰዓት በረራኦም ሳንጣኦም ንምፍታሽ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝሕዙዎ ሪጋ ብምውጋድ እቲ ጸገም ንምቅላስ ጻዕሪ ይገብር። ተጓዓዝቲ፡ ኣክንዲ ሪጋ ዝሕዙ፡ እቲ መተግበርን ድሕረገጽን ተጠቒሞም ሳንጣኦም ዝውሰድሉ መስርሕ ከመቻችኡ ይኽእሉ። እዚ መተግበሪ፡ ሕጂ ኣብ መገዲ ኣየር ብሪጣንያን ዓለምለኻዊ በረራታት መገዲ ኣየራት ስዊዝን ካብ ለንደን ናብ ጄነቫ ኣብ ዝግበሩ በረራታት ይሰርሕ ኣሎ። በዚ፡ ሰራሕተኛ ኤየርፖርተር፡ ሳንጣ እቲ ተጓዓዚ ካብ ገዛኡ ወሲዱ ኣክንዲ ናብ ናይ ተጓዓዝቲ፡ ናብ ቦታ ኣቝሑ የብጽሖ፤ ኣብኡ ተፈቲሹ ኸኣ ብቐጥታ ናብ ነፋሪት ይኣቱ። እቲ ተጓዓዚ ኣብ ዝዓርፈሉ ቦታ ምስ በጽሐ ድማ፡ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ንምሃብ ምስ ኤየርፖርተር ዝሰርሑ ሰባት፡ እቲ ሳንጣ ተቐቢሎም እቲ ተጓዓዚ ናብ ዝዓርፈሉ ቦታ የብጽሑዎ። ነዚ ኣገልግሎት፡ ንሓደ ሳንጣ 40 ፓውንድ ትኸፍል። ዋና ፈጻሚ ስራሕ ኤየርፖርተር ዳንደል ዳርባይ፡ ክሳብ ሕጂ ሳንጣ ተጓዓዝቲ ንሚእቲ ዓመት ብዝጸንሐ ኣሰራርሓ ኣቪየሽን ይቕጽል ምህላው ከም ዘተሓሳስቦ ይዛረብ። ንሱ፡ ነቲ ትካል ብ2013 ከቝሞ እንከሎ፡ እቲ ኣገልግሎት ኣብ መላእ ዓለም ክሰፍሕ ትጽቢት ይገብር።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cj52pq4rvm7o"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ኣብ ምቁራጽ በረራታት ነፈርቲ ናብ መቐለ ይካሰሱ'ለዉ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን፡ ምኽንያት ምቁራጽ  ናብ ከተማ መቐለ ዝግበሩ በራራታት ብዝምልከት ነንሕድሕዶም ይካሰሱ ኣለዉ። ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሎሚ ኣርፊዱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ “ህወሓት፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተልኣኹ ረድኤት ዘመላልሱ ነፈርቲ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ መቐለ ከይዓልባ ከልኪሉ” ኢሉ ዝኸሰሰ እንትኾን፡ ዕላምኡ ድማ ስም መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ንምጽላም ከምዝዀነ ገሊጹ። መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም፡ ሎሚ ኣማስዮም ብቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ወጻኢ ኣቢሎም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣገልግሎት በረራ ምሃብ ዘቋረጸ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ምዃኑ ሓቢሮም ኣለዉ። እቲ ሓቂ እዚ ኰይኑ እንከሎ፡ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕሶት ይነዝሕ ኣሎ” ክብሉ ብወገኖም ከሲሶም። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዘቕርቦ ዘሎ ክሲ፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝኽተሎ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘስዓበ ክልከላ ረድኤትን ነዳድን፡ ንምሽፋንን ማሕበረሰብ ዓለም ንምትላልን ዝዓለመ እዩ ድማ ኢሎም። ተወካሊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ወፃኢ፡ ኣይተ ዮሃንስ ኣብርሃ፡ “እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ተቛሪጹ ዝብል ሕሶት እዩ። እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣገልግሎት ንክህብ ዘኽእል ነዳዲ ስለዘየለ እምበር መንግስቲ ትግራይ ነቲ መዕርፎ ነፈርቲ ክዓፅዎ ስለዝደለየ ኣይኮነን። እኳድኣስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዚ ኢሉ ዝኸስስ ዘሎ፡ እቲ ናብ ትግራይ ክሰድዶ ዝግበኦ ነገር ክዓፁ ስለዝደለየ እዩ\" ክብል ንቢቢሲ ገሊፁ። እዚ ምስ ኣጋጠመ ድማ ንሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላት ረድኤትን ከምዝሓበሩ፡ ኣይተ ዮውሃንስ ኣረዲኡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ናብ ትግራይ ረድኤት ክሓልፍ ዝከኣሎ ኩሉ ይገብር ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ። ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ጁዴ ፉህነዊ፡ ብዛዕባ እታ ትማሊ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ክትዓልብ ዘይከኣለት ነፋሪት እቲ ማሕበር፡ ብዝምልከት ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ብቐጥታ ምላሽ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ። እንተዀነ፡ እቲ ምቁራጽ ተጻብኦታት ካብ ዝግበር ኣትሒዙ፡ እቲ ማሕበር ሽድሽተ ቃፍላይ በረራ ከምዘካየደን፡ ኣዝዩ አገዳሲ መሳርሕታት ሕክምና፣ ንመጻርዪ ማይ ዝውዕሉ ቀረባትን ካልኦት ኣገደስቲ ነገራትን ከምዘግዓዘ ገሊጹ። ናብ ትግራይ ዝግበር ቀረብ ረድኤት ተማሕይሹ ከምዘሎ ዝገለጸ እቲ ሓላፊ፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት ድማ፡ ሓደ ቃፍላይ ናብ ትግራይ ከምርሕ ከምዝፅበ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ ምቁራጽ ተጻብኦታት ዕላዊ ዝገበሩ ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት፡ ነቲ 19 ወርሑ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት፡ ዝተወሰነ ረድኤት ብመጓዓዝያ ናብ ትግራይ ክሓልፍ ኣኽኢሉ ኣሎ። እንተዀነ፡ እቲ ሎሚ ካብ ክልቲኦም ወገናት ዝተውሃቡ መግለጺታት፡ እቲ ንሓጺር እዋን ህድእ ኢሉ ዝነበረ ምክሳስ ዳግም ከይለዓልን ነቲ ተስፋ ተገይርሉ ዝነበረ ናይ ሰላም ኣንፈትን ናብ ሕቶ ዘእቱን ይመስል። መንግስቲ ኣብ መግለጺኡ፡ ነቲ ኣብ ኣዝዩ ፈታኒ ኩነታት ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ረድኤት ንምብጻሕ  ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ኣድላይ ዝበሃል ረድኤት ክኸይድ ይገብር ከምዘሎ ዝገልጽ ኰይኑ፡ \"ህወሓት ግን ረድኤት ከይሓልፍ ትንኮያታት ብምክያድ ዕንቅፋት ይኸውን ኣሎ\" ብምባል ይኸስስ። እቲ ትማሊ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ከይትዓልብ ዝተኸልከለት ነፋሪት፡ ናይ ሕክምና መሳርሕታትን ሃናጺ ምግቢ ናይ ህጻናትን ዝሓዘት ከምዝነበረት ድማ የረድእ። እቲ ካብ መራሕቲ ትግራይ ዝተውሃበ መግለጺ ድማ፡ “ንህላወ ህዝቢ ትግራይ ዝቃለስ ዘሎ መንግስቲ ትግራይ፡ ስለምንታይ ነቲ ኣብ ዕጽዋ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ኣገዳሲ ዝዀኑ በረራታት ክኽልክል ከምዝኽእል’ኳ፡ ርትዓዊ ምኽንያት ከቕርቡ ኣይኽእሉን” ይብል። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ክልከላ ከጻሪን ነቲ ዘይግቡእ ዝበሎ ተግባር ክኹነን ዝሓተተ ዀይኑ፡  መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም፡ ነቲ መግለጺ  ‘ንብዓት ሓርገጽ’ ክብሉ ነጺጎምዎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍታሕን ናብ ትግራይ ረድኤት ንምልኣኽን \"ንዘይተወሰነ\" እዋን ዝፀንሕ ምቍራፅ ተፃብኦታት ምእዋጆም ይዝከር። ናብ ትግራይ ብመካይን ዝለኣኽ ረድኤት ንኣዋርሕ ተቋሪጹ ድሕሪ ምፅንሑ፡ ዳግም ምጅማሩ ተስፋታት ፈጢሩ'ኳ እንተፀንሐ፡ ሕዚ’ውን ብዝሒ ተጸባዪ ረድኤት ወሲኹ ስለዘሎ እኹል ከምዘይኰነ፡ ኣይተ ዮውሃንስ ኣብርሃ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ነቲ ንልዕሊ 19 ኣዋርሕ ዝጸንሐ ደማዊ ኲናት ብዘተን ድርድርን ንምፍታሕ ድሉዋት ምዃኖም ድሕሪ ምግላጾም፡ ተስፋታት ሰላም ምቅልቓል ጀሚሮም ነይሮም። ፕረዚደንት ትግራይ ዶ\/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብቲ ብመንግስትን መራሕን ኬንያ ዝተዳለወ ሽምግልና ንምስታፍ ላዕለዎት ተወከልቲ ከምዝልእኽ 13 ሰነ 2022 ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ከረጋግጽ እንከሎ፡ ብሰሉስ ኣብ ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያ ቀሪቡ መግለጺ ዝሃበ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ድማ ንሰላም ድሉዋት ምዃኖምን ኮሚተ ልዝብ ከምዝቘመን ኣፍሊጡ እዩ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4n38kwpdgeo"} {"headline":"መገዲ ኣየር ናይጀርያ፡ በረራት ደው ከብል ንዘሕለፎ ውሳነ ከም ዝሰረዘ ኣፍሊጡ","content":"መገዲ ኣየር ናይጀርያ፡ ነቲ ብሰንኪ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ፡ ካብ ሰኑይ ኣትሒዙ ክቋርጾ ወጢንዎ ዝነበረ በረራታት ውሽጢ ዓዲ፡ ድሕሪ ዘጋጠሞ ተሪር ተቓውሞ ከም ዝሰረዞ ኣፍሊጡ። ኣብዚ ዓመት፡ ዋጋ ነዳዲ ክጽወር ብዘይክእል መጠን፡ ብኣርባዕተ ዕጽፊ፡ እዩ ወሲኹ ይብሉ ኦፐሬተራት መገዲ ኣየር ናይጀርያ [AON]። እዚ ኸኣ ብቐንዱ ምስቲ ኣብ ለካቲት ዝጀመረ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝተሓሓዝ እዩ። እንተዀነ እተን መገዲ ኣየራት፡ እቲ ኣብዚ ጉዳይ ዝምልከት ምስ መንግስቲ ዝግበር ዘሎ ዝርርብ እናቐጸለ እንከሎ፡ ስርሐን ክቕጽላ ምዃነን ኣፍሊጠን ኣለዋ። ብመንግስቲ፡ ክሳዕ ሕጂ ዝተወሰነ ውሕስነት ተዋሂብወን ከም ዘሎ ድማ ኣፍሊጠን ኣለዋ። እቲ ብመገዲ ኣየራት ናይጀርያ፡ በረራት ውሽጢ ዓዲ ደው ንምባል ዝሓለፈ ዓርቢ ዝወጸ ውሳነ፡ ብመንግስቲ፡ ተጠቀምትን፡ መሰል ተጠቀምቲ ዝሕልዉ ኣካላትን'ዩ ብርቱዕ ተቓውሞ'ዩ ገጢምዎ። ነዚ ስዒቡ ብመገዲ ኣየር ናይጀርያ ዝተወስደ ውሳነ ምስራዝ'ቲ ውጥን፡ ንብዙሓት ስርሓቶም ከይሰናኸል ኣብ ወጥሪ ዝጸንሑ ተጓዓዝቲ ሩፍታ ፈጢሩ ከም ዘሎ ተፈሊጡ'ሎ። እንተዀነ፡ እቲ ኣብ መንጐ መገዲ ኣየር ናይጀርያን መንግስቲ ናይጀርያን፡ ዝግበር ዘሎ ዝርርብ ማዕረ ክንደይ ዘላቒ ፍታሕ ከምጽእ ከም ዝኽእል ዛጊት ዝተፈለጠ ጭቡጥ ነገር የለን። ንትሽዓተ መጓዓዝያታት ነፈርቲ ውሽጢ ሃገር ዝውክል 'ኦፐሬተራት መገዲ ኣየር ናይጀርያ' [AON]፡ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣገልግሎት በረራ ብድጐማ ክኸይድ ከም ዝጸንሐ ይገልጽ። ብሕጽረት ነዳዲ ዝምኽነ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዙ ሓያለ በረራታት ክስረዝን ክደናጐን ከምዝጸንሐ ይፍለጥ። ካብ ዝሓለፈ ሒደት ሳምንቲ ኣትሒዙ'ውን ዋጋ ትኬት ኣብ ገሊኡ ክሳብ ሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ ተራእዩ። መንገደኛታት ናይጀርያ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ በቲ ዋጋኡ ዘንቈልቍል ዘሎ 'ናይራ' [ባጤራ ናይጀርያ] ዝኸፍሉ ኰይኖም፡ ኣቕረብቲ ነዳዲ ግን ብዶላር እዮም ክፍሊቶም ዝሓቱ። ናይጀርያ ኣብ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ነዳዲ እተፍሪ ሃገር ትዅን እምበር፡ ዳርጋ ዅሉ ነዳዲ ነፈርቲ ካብ ደገ እያ ተእትዎ። ኣብታ ሃገር ካብን ናብን ዝግበር ጕዕዞ ጸጥታዊ ስግኣት ስለዘለዎ፡ ብፍላይ እቶም ዓቕሚ ዘለዎም ብነፈርቲ ክጓዓዙ ይመርጹ። ኣብታ ሃገር፡ ንዓበይቲ መካይን ዒላማ ዝገበረ ክትራን፡ ተጓዓዝቲ ምጫዋይን ኣምሳያ ገንዘብ ምሕታትን ልሙድ እዩ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61375904"} {"headline":"ናይጀርያ፡ ብሰንኪ ክብሪ ነዳዲ በረራታት ውሽጢ ዓዲ ደው ክብል እዩ","content":"መንገዲ ኣየራት ናይጀርያ ኣብ ልዕሊ ነፈርቲ ነዳዲ ዝተገበረ ወሰኽ ዋጋ ብምቅዋም ካብ ሰኑይ ጀሚረን በረራታት ውሽጢ ዓዲ ደው ከብላ እየን፡፡ ማሕበር መገዲ ኣየራት ናይጀርያ (ኣ-ኦ-ኤን) ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ዋጋ ነዳዲ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ከም ዝወሰኸ ገሊጹ፡፡ ‘‘ኣብ ሓጺር ግዘ ከምዚ ዓይነት ወሰኽ ዋጋ ምግባር ዝኾነ መንገዲ ኣየር ክጻወሮ ዝኽእል ኣይኮነን’’ ኢሉ፡፡ እቲ ናህሪ ዋጋ፡ ሩስያ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት ንዩክረይን ምውራራ ዘንቀሎ እዩ፡፡ ንትሸዓተ መንገዲ ኣየራት ናይጀርያ ዝሓቖፈ እቲ ማሕበር፡ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ እተን መንገዲ ኣየራት ንወጻኢታት ገለ ኣገልግሎታት ካብ ጁበአን ክሽፍና ከም ዝተገደዳ ይገልጽ፡፡ ኣብታ ሃገር ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ነፈርቲ፡ በረራታት ክደናጎዩን ክስረዙን ጸኒሖም እዮም፡፡ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ድማ ገለ በረራታት ዋገኦም ብሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ፡፡ ተጓዓዝቲ በቲ ናይ ምግዛእ ዓቕሙ ክዳኸም ዝተገበረ ባጤራ እታ ሃገር፡ ናይራ፡ ክፍሊት ዝፍጽሙ ኮይኖም እተን መገዲ ኣየራት ግና ነዳዲ ብዶላር እየን ዝገዝኣ፡፡ ዋለ'ኳ ናይጀርያ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየት ኣፍራዪት ነዳዲ እንተኾነት፡ ነዳዲ ነፈርቲ ግና ዳርጋ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ወጻኢ እያ እተእቱ፡፡ መንግስቲ ፍታሕ ከምጽእ ሓቲቱ ከም ዘሎ ዝገልጽ ማሕበር መንገዲ ኣየራት ናይጄርያ፡ ወሰኽ ዋጋ በቶም ብዙሕ ጸገም ዘለዎም ተጓዓዝቲ ጥራሕ ክሽፈን ከም ዘይክእል ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ፡፡ ብዛዕባ እቲ ኣድማ፡ ዛጊድ መንግስቲ ናይጀርያ ዝበሎ ነገር የለን፡፡ እቲ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ክካየድ ተተሊሙ ዘሎ ምቁራጽ በረራታት ንውሽጢ ጥራሕ ዝምልከት ከም ዝኾነ እውን መራሒ ሓንቲ መንገዲ ኣየር ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡ ብሰንኪ ሸፋቱ ኣብ ናይጀርያ ዝፍጽምዎ ምጭዋይ፡ ዓቕሚ ዘለዎም ተጓዓዝቲ ብነፈርቲ ምጉዓዝ እዮም ዝመርጹ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ከተማታት ኣቡጃን ካዱናን ኣብ ዘራኽብ መንገዲ ባቡር ዕጡቓት ብውሑዱ 62 ተሳፈርቲ ጨውዮም ከም ዝወሰዱ ዝዝከር እዩ፡፡ ቤከን ኮንሳልቲንግ ዝተባህለ ትካል ሓለዋ ድሕነት ብወገኑ ኣብታ ሃገር ኣብ መጀመርታ ሰለስተ ኣዋርሕ እዚ ዓመት ጥራሕ ልዕሊ 3500 ሰባት ብዕጡቓት ከም ዝተቐተሉን ሓያሎ ከም ዝተጨወዩን ኣፍሊጡ፡፡","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61369269"} {"headline":"መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ናብ ትግራይ በረራ ንምጅማር ምድላው ከምዘጻፈፈ ገሊጹ","content":"መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ኲናት ተቋሪጾም ዝጸንሑ ናብ ትግራይ ዝግበሩ በረራታት ንምጅማር ምድላዋቱ ምሉእ ብምሉእ ከምዝዛዘመ ንቢቢሲ ገሊጹ፡፡ ድሕሪ እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተጀመረ ኲናት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝበዝሐ ከባቢታት ትግራይ ምስተቖጻጸረ ንሓጺር እዋን እኳ በረራ ተጀሚሩ እንተነበረ፡ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ትግራይ ምስወጽአ ግን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እውን በረራ ደው ኣቢሉ እዩ ጸኒሑ፡፡ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ፡ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ብቐዋምነት ጎንጺ ደው ንምባል ምስተሰማምዑ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ናይ ንግዳዊ በረራታት ንምጅማር ምድላዋቱ ከምዘጻፈፈ፡ ሓላፊ ዓውዲ ንግዲ እቲ መንገዲ ኣየር ኣቶ ለማ ያደቻ ሓቢሩ፡፡ እቶም ወገናት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ብዘካየዱዎም ዘተታት ናይ ሰላም ውዕል ምፍርራሞም ስዒቡ ‘‘ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ምምሕያሽ ስለዘርኣየ’’ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብቲ ክልል ስርሑ ዝሰርሐሉ ‘‘ኩነታት እናተመቻቸወ ምምጽኡ’’ ዝጠቐሰ እቲ ሓላፊ፡ በረራታት ንምጅማር ናይ ኣካላት ጸጥታን ናይ ሲቪል ኣቭየሽንን ናይ መወዳእታ ፍቓድ ይጽበዩ ከምዘለዉ ሓቢሩ፡፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ እቲ ውዕል ሰላም፡ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መዕርፎ ነፈርቲ፡ በረራታት ንምትእንጋድ ዘለዎም ድልውነት ዝግምግሙ ሰራሕተኛታት ከምዘዋፈረ ኣቶ ለማ ሓቢሩ፡፡ በዚ መሰረት ድሕነት ናይቶም መልዓልን  መዕረፍን ነፈርቲ፡ ከምኡ እውን ኩነታት መራኸቢ መሳርሕታት ምምርማር ሓዊሱ ብሓፈሻ ንበረራ ዘድሊ ናይ ድሕነት ኩነታት ምህላዉ ይዕዘቡ ኣለዉ ኢሉ፡፡ ‘‘ሐዚ ዘሎ ኩነታት ዳርጋ ሙሉእ ብሙሉእ በረራ ንምጅማር ዘኽእል እዩ፤ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብኹሉ መዳይ ድሉው ኮይኑ ይጽበ እዩ ዘሎ’’ ክብል እውን ወሲኹ ገሊጹ፡፡ በረራ ዝጅመር ኣካላት ጸጥታን ሲቪል ኣቬሽንን ብዝህብዎ ‘‘ይጀመር’’ ዝብል ፍቓድ ከምዝኾነ ዝገለጸ እቲ ሓላፊ ‘‘ ምስ መንግስቲ እውን ተቐራሪብና ንሰርሕ ኣለና፡፡ ኣብ ዝኾነ መዓልቲ ክንጅምር ንኽእል ኢና፤ ጽባሕ ወይ ድሕሪ ጽባሕ ክኸውን ይኽእል፡፡ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ጀምሩ ምስተብሃልና ክንጅምር ኢና’’ ብምባል ድሉውነት እቲ መንገዲ ኣየር ገሊጹ፡፡ ብተወሳኺ እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሽረ ዘለዉ በረራታት ሰብኣዊ ሓገዝ ይከታተል ከምዘሎ ኣቶ ለማ ገሊጹ፡፡ መዕርፎ ነፈርቲ ኣኽሱም ግና ብሰንኪ እቲ ኲናት ከቢድ ጉድኣት ስለዝበጸሖ፡ ስራሕ ንምጅማር ድሉው ከምዘይኮነ ሓላፊ ዘፈር ንግዲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡ ቅድሚ ኲናት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ከተማታት ኣክሱም፡ ሑመራ፡ ሽረ ከምኡ’ውን መቐለ በረራታት የካይድ ነይሩ። ናብ ታሪኻዊት ከተማ ኣኽሱም ኣብ መዓልቲ ክልተ በረራታት ከምኡ እውን ናብ ሽረ ሓደ በረራ ይካየድ ነይሩ፡፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ዋሕዚ በጻሕቲ ብምትእጉጓሉን ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝግበር በረራታት ብምቁራጹን ኣብቲ መንገዲ ኣየር ጸቕጢ ከምዝፈጠረን እውን ኣቶ ለማ ንቢቢሲ ገሊጹ፡፡ ‘‘ተጋሩ ኣሕዋትና ናብዚ ክመጹ እዮም፡፡ ንሕና እውን ኣዝማድና ንምሕታት ናብኡ ክንከይድ ኢና፡፡ (ምጅማር እቲ በረራ) ሓደ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ከሳልጥ እዩ፡፡ ካልኣይ ከም ሃገር ናይ ቱሪዝም ዓውዲ ዘነቓቕሕ እዩ፡፡ ‘‘ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵ ታሪኻዊ ናይ ጉዕዞ መስመር ስለዝኾነ . . . በረራታት ምጅማር፡ ዋሕዚ በጻሕቲ ክውስኽ እዩ፡፡ በዚ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እኹል ኣታዊ ክረክብ እዩ፡፡ ኢትዮጵያ እውን ከም ሃገር እኹል ኣታዊ ክትረክብ እያ’’ ኢሉ፡፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ናብ ልዕሊ 20 ከባቢታት በረራ ዘካይድ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ትግራይ እውን ናብ ርእሰ ከተማ መቐለ እትርከቦ ናብ ዝፈላለዩ ከባቢታት በረራ የካየድ ነይሩ፡፡ ነቲ ንክልተ ዓመት ዝጸንሐ ደማዊ ኲናት ደው ንምባል ኣብ ዝተገበረ ውዕል፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ኣገልግሎት ብቕልጡፍ ክጅመር ተሰማሚዖም እዮም፡፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በረራ ንምጅማር ዝገብሮ ዘሎ ምድላው ድማ ኣካል እቲ ኣገልግሎት ናይ ምጅማር ስጉምቲ እዩ፡፡","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd12e9v47rgo"} {"headline":"ኣብ በረራ እናሃለዉ ዝተሃራረሙ ኣብረርቲ ካብ ስርሖም ተኣጊዶም","content":"ክልተ ኣብረርቲ መንገዲ ኣየር ፈረንሳ፡ ኣብ 'ኮክፒት' እናሃለዉ ክሳብ ኣካላዊ ምትህርራም ብምጽሖም ካብ ስርሖም ከምዝተኣገዱ ጸብጻባት ሓቢሮም። ቀንዲ ኣብራሪን ተሓጋጋዚ ኣብራሪን ናይታ ኤርባስ A320 ዝዓይነታ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት፡ ካብ ጀነቫ (ስዊዘርላንድ) ናብ ርእሰከተማ ፓሪስ ኣብ ዝበርሉ ዝነበሩ እዋን ብጉስጢ ከምዝተሃራረሙ ሓደ 'ላ ትሪᎅን' ዝተባህለ ማዕከን ዜና ስዊዘርላንድ ሓቢሩ። ኣብ 'ኮክፒት' (ናይ ኣብረርቲ ክፍሊ) ዋዕዋዕ ዝሰምዑ ተጓዓዝቲ፡ በቲ ኲነታት ብምሽቓል ናብቲ ክፍሊ ኣትዮም ገላጊሎሞም። ድሕሪ'ቲ ባእሲ፡ እታ ነፋሪት ብሰላም ክሳብ እትዓልብ ሓንቲ ኣባል በረራ ምስቶም ዘይተቓደዉ ኣብረርቲ ክትጓዓዝ ከምዝተገብረ ተፈሊጡ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ዘጋጠመ ፍጻመ፡ ንውሕስነት በረራ ናይታ ነፋሪት ኣብ ሓደጋ ከምዘየውደቖ እቲ መንገዲ ኣየር ንላ ትሪᎅን ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ፡ ሓደ መርማሪ ኣካል መንገዲ ኣየር ፈረንሳ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ነቲ ፍጻመ ብምጥቃስ እቲ መንገዲ ኣየር ንውሕስነት ዝምልከት ጉድለት ግቡእ ዕቱብነት ከምዘለዎ ኣፍሊጡ ነይሩ። ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ኣብረርቲ ናይ ሓንቲ ካብ ሱዳን ዝተበገሰት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ “ድቃስ ስዒርዎም” ነቲ ክዓልብሉ ዝግብኦም መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ፡ ከምዝሓለፍዎን ብሰንኩ ካብ ስርሖም ተኣጊዶም ክጸንሑ ከምዝተገብረን ይዝከር።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c0kz8p71j0lo"} {"headline":"ማይክ ታይሰን ኣብ ነፋሪት ንሓደ 'ጥርሙስ ዝደርበየሉ' ገያሻይ ኣጕሲጡ","content":"ፍሉጥ ተጓሳጣይ ከቢድ ሚዛን ዝነበረ ማይክ ታይሰን ኣብ ነፋሪት \"ጥርሙስ ንዝደርበየሉ\" ሓደ ገያሻይ ብጕስጢት ከም ዝሃረመ ኣፈኛኡ ተዛሪቡ። ኣብታ ነፋሪት ዝተስኣለ ቪድዮ፡ ማይክ ታይሰን ነቲ መንነቱ ዘይተገለጸ ሰብ ደጋጊሙ ከጕስጦ እንከሎ የርእይ። እቲ ኣፈኛ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ታይሰን \"ብሓደ ነግራም ገያሻይ ጥቕዓት ምስ ተፈጸሞ\" እቲ ኩነታት ከምዘጋጠመ ኣረዲኡ። ድሕሪ እቲ ኩነታት ናብቲ ቦታ ዝተላእኹ ኣባላት ፖሊስ ንኽልቲኦም ገያሾ ንሓጺር ግዜ ኣብ ቀይዲ ኣእትዮምዎም። ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሳንፍራንሲስኮ ብዙሕ ከቢድ ዘይኮነ መቑሰልቲ ዘይበጽሖ ሓደ ገያሻይ ሕክምና ከምዝተገበረሉ'ውን ተፈሊጡ። ኣፈኛ ፖሊስ ሳንፍራንሲስኮ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ \"እቲ ውልቀሰብ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ብዙሕ ዝርዝራት ንምሃብ ፍቓደኛ ኣይነበረን፤ ምስ መርመራ ፖሊስ'ውን ብዙሕ ኣይተሓባበረን\" ኢላ። ተወሳኺ መርመራ ክግበር እኳ እንተኾነ ክልቲኦም ውልቀሰባት ከምዝተፈትሑ ዝሓበረ መግለጺ ፖሊስ መንነት እቶም ሰባት ኣየነጸረን። እቲ ክስተት ብረቡዕ ምሸት ካብ ሳንፍራንሲስኮ ናብ ፍሎሪዳ ንምብራር ትዳሎ ኣብ ዝነበረት ነፋሪት መገዲ ኣየር ጀትብሉ እዩ ኣጋጢሙ። ገጽ ትዊተር መርበብ ሓበሬታ 'ቲኤምዚ' ናይቲ ክስተት ምዃኑ ዝገልጽ ቪድዮ እኳ እንተዘርግሐ ጠንቂ እቲ ባእስን ጥርሙስ ክድርበይ እንከሎን ኣየርእን እዩ። ብመሰረት ሓበሬታ 'ቲኤምዚ' ፈለማ ታይሰን ምስቲ ገያሻይ ክሰኣል ፍቓደኛ ኮይኑ ነይሩ። እንተኾነ ግና ወላ'ኳ ታይሰን \"ህድእ በል\" እንተበሎ፡ እቲ ሰብኣይ ንታይሰን ምብስጫው ከምዝቐጸለ ኣረዲኡ። ኣብቲ ቪድዮ ታይሰን ንሓደ ገያሻይ ኣብ ርእሱ ደጋጊሙ ከጕስጦ እንከሎ ካልእ ሰብ \"ማይክ: ማይክ\" እናበለ ከህድኦ ክፍትንን ካልእ ከኣ ንታይሰን እናደፍኦ ይርአ። ታይሰን ኣብ ጸወታን ካብኡ ወጻእን ጎንጺ ብምጥቃም ፍሉጥ እዩ። ኣብ 1992 ብጾታዊ ዓመጽ ገበነኛ ተባሂሉ ሰለስተ ዓመት ተዓሲሩ እዩ። ኣብ 1997 ከኣ ናይ መጋጥምቱ እዝኒ ብስኑ ብምምንጫቱ ካብ ጸወታ ተገሊፉ እዩ። ካብ ለካቲት 2021 ንደሓር ኣብ ነፈርቲ ልዕሊ 7000 ግቡእ ዘይኮነ ባህርያት ብገያሾ ከምዝተርኣየ ጸብጻባት ምምሕዳር ኣቭየሽን ፌደራል የርእይ። ካብዚ እቲ 70% ምስ ማስክ ዝተኣሳሰር እዩ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61200778"} {"headline":"ዋና ኣካያዲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነበር ዝለዓለ ናይ ክብሪ ሽልማት ኣቬሽን ተዋሂቡ","content":"ዋና ኣካያዲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም ኣብ ኢንዱስትሪ ኣቬሽን ንዝገበሮ ናይ ዓመታት ኣበርክቶ ዝለዓለ ሽልማት ተዋሂቡ። ሮያል ኤሮነቲክስ ሶይቲ ዝተባህለ ፍሉጥ ናይ ኣቬሽን ማሕበር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣቶ ተወልደ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝበለጸ ክኸውን ኣብቂዕዎ ክብል ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ። ኣቶ ተወልደ \"ገብረማርያም ንዳርጋ ኣርባዕተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝምዕባለ ኣቬሽን ዘርኣዮ ተወፋይነትን ንዕብየት ናይቲ ኣብ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ኣኽሳቢ ዝኾነ መንገዲ ኣየር ዝገበሮ ኣበርክቶን ናይ ክብሪ ፌለውሽፕ 2022 ተሸሊሙ ኣሎ\" ይብል እቲ ብቐዳም ዝወጸ መግለጺ። \"እቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ናይ ኤሮነቲክስ ሽልማት ነቶም ኣብ ሞያ ኤሮነቲክስ ብሉጻት ዝኾኑ ጥራይ'ዩ ዝወሃብ. . .እዚ ኽብሪ'ዚ ነቶም ብስርሖም፡ መሪሕነቶም፡ ኣርኣያነቶምን ጽልውኦምን ካብቶም ኣዝዮም ብሉጻት ጸብለል ኢሎም ዝርከቡ ዝወሃብ'ዩ\"። ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ፍሉጥ ዝኾነ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዓመታት ብዓወት ዝመርሐ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም፡ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ብሰንኪ 'ጥዕናዊ ጸገም' ካብ ሓላፍነቱ ከምዝወረደ ይዝከር። ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣብ ኣመሪካዊ መንገዲ ኣየር ደልታ ላዕለዋይ ስትራተጂካዊ ኣማኻሪ ኮይኑ ይሰርሕ ከምዘሎ'ውን መግለጺ ናይ ዝሸለመ ትካል ይጠቅስ። ቅድሚ ካብ መዝነቱ ክወርድ ምሕታቱ፡ ንብዙሕ ኣዋርሕ ኣብ ኣመሪካ ሕክምና እናተኸታተለ ስርሑ ይሰርሕ ምንባሩ ተገሊጹ ነይሩ። እቲ ዋና ኣካያዲ ነበር፡ ኣባል ቦርድ ዝተፈላለዩ ናይ ኣቬሽን ማሕበራት ዝነበረ ኾይኑ፡ ብዘርኣዮ ብቑዕ መሪሕነትን ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘመስከሮ ዕብየትን ሓያለ ሽልማት ዝተቐበለ'ዩ። ኣቶ ተወልደ ካብ ኣዲስኣበባ ዩኒቨርስቲ ብስነ-ቑጠባ ዲግሪ ከምኡ’ውን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ዝርከብ ኦፕን ዩኒቨርሲቲ ብቢዝነስኣድሚኒስትሬሽን ናይ ማስተርስ ዲግሪ ከምዝረኸበ ይፍለጥ። ኣብ 1985 ፈለማ ከም ሰራሕተኛ መንገዲ ኣየር ዝተቖጽረ ኣቶ ተወልደ፡ ዋና ኣካያዲ ቅድሚ ምዃኑ፡ ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሓላፍነት ኣገልጊሉ ነይሩ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crg7n2l7x4ro"} {"headline":"ነፋሪት ታንዛንያ ኣብ ቀላይ ቪክቶርያ ብምሕምሻሻ ብዙሓት ሞይቶም","content":"ነፋሪት መጓዓዝያ ታንዛንያ ኣብ ገምገም ቀላይ ከተማ ቡኮባ ክትዓልብ ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን ናብ ቀላይ ቪክቶርያ ብምሕምሻሻ ብውሕዱ 19 ሰባት ሞይቶም። ካብቶም ኣብታ ብ'ፕሪሲዥን ኤይር' እትውነን ነፋሪት ዝነበሩ 43 ሰባት፡ እቶም 24 ከም ዝደሓኑ ኦፕሬተር ፕሪሲዥን ኤየር ሓቢሩ። እቶም ክልተ ፓይለታት ፈለማ ብህይወት ክጸንሑን ካብ ‘ኮክፒት’ [ክፍሊ በረራ] ኰይኖም ምስ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ክዘራረቡን ከም ዝኸኣሉ፡ እንተዀነ ጸኒሑ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሞይቶም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ተዛሪቡ። ኣባላት ህይወት ኣድሕን፡ ንገለ ካብቶም ገና ኣብ ውሽጢ እታ ነፋሪት ዝነበሩ ተሳፈርቲ ንምምጻእ ናብ ውሽጢ ማይ ኣትዮም ነይሮም። ዓብዱልኑሪ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኰይኑ ናብታ ዝዓበየት ከተማ ታንዛንያ - ዳርኤ ሰላም ንኽምለስ በረራ እናተጸበየ እንከሎ፡ እታ ነፋሪት ናብቲ ዝዓበየ ቀላይ ኣፍሪቃ ክትጥሕል ከምዝረኣየ ይገልጽ። \"ብሓቂ ሰንቢድና። ሰባት ሰንቢዶም ገሊኦም ክበኽዩን ከእውዩን ጀሚሮም\" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። \"ኣብቲ መእተዊ ገያሾ ዝነበሩ ሰባት'ውን ሰንቢዶም፤ መብዛሕትኦም ንኣዝማዶም ክቕበሉ ዝጽበዩ ዝነበሩ እዮም\" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ። ነቶም ኣብቲ ምሕምሻሽ ዘጋጠመሉ ቦታ ኣቐዲሞም ዝበጽሑ ገፈፍቲ ዓሳ ዘዘራረቦም ኰይኑ፡ እታ ነፋሪት ድሕሪ ምውዳቓ፡ እቲ ናይ ድሕሪት ማዕጾ ብኣባል በረራ ስለዝተኸፈተ ሰባት ንምድሓን ናብታ ነፋሪት ክኣትዉ ከምዝኸኣሉ ሓቢሮምዎ። እቲ ዘጋጠመ ዘሕዝን ሓደጋ፡ ብሰንኪ ሕማቕ ኵነታት ኣየር ዝሰዓበ ከምዝዀነ ይግለጽ። ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤት ገመድ ብምጥቃም ነታ ‘ኤቲኣር-42’ ዝዓይነታ ነፋሪት ናብ ገማግም ባሕሪ ንምስሓብ ክፍትኑ እንከለው፡ ገለ ካብ ኣካላታ ኣብ ልዕሊ ማይ ተንሳፊፉ ይርአ። ክንደይ ሰባት ኣብ ውሽጢ እታ ነፋሪት ተዓጽዮም ከም ዝጸንሑ ዛጊት ንጹር ኣይኰነን። ካብቲ ሓደጋ ዝደሓነ ሪቻርድ ኮምባ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ነፋሪት ክትዓልብ ኣብ ዝቐረበትሉ እዋን፡ ኵነታት ኣየር ይሓምቕ ብምንባሩ፡ እቲ ፓይለት ነታ ነፋሪት ናብ ካልእ መንገዲ ክቕይራ ከምዝተገደደ ገሊጹ። \"ድሕሪኡ ኣብ ቀረባ ክንዓልብ ምዃንና ተሓቢሩና፤ ግን ከቢድ ዕግርግር ተፈጢሩ። ደሓር ድማ ንነብስና ኣብቲ ቀላይ ረኺብና\" ኢሉ ኮምባ። ኣስዒቡ፡ \"ማይ ናብታ ነፋሪት ኣትዩ፤ እቶም ኣብ ቅድሚት ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ድማ በቲ ማይ ተዓቢጦም። ኣነ ኣብ ድሕሪት ኮፍ ኢለ ነይረ፤ መብዛሕትና ኣብ ድሕሪት ዝነበርና ክንወጽእ ተቓሊስና\" ክብል ነቲ ዝነበረ ኵነታት ገሊጹ። ሓደ ኣባል በረራ ማዕጾ እታ ነፋሪት ንምኽፋት ይቃለስ ከምዝነበረ'ውን ኣዘኻኺሩ። \"ክንወርድ ከለና ዋላ ሓንቲ ጃልባ ኣይነበረትን። ንኽንድሕን ቅሩብ ግዜ ወሲዱ፤ እታ ዝመጸት ጃልባ’ውን ክንድኡ ብቕዕቲ ኣይነበረትን፡ ታንኳ እያ ነይራ\" ኢሉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ታንዛንያ ቃሲም ማጃሊዋ፡ እቶም ዝደሓኑ ተሳፈርቲ ኣብ ሆስፒታል ከምዘለዉን ከቢድ መጕዳእቲ ከምዘይወረዶምን ብምሕባር \"ግን ሰንቢዶምን ተጨኒቘምን\" ክብል ኣረዲኡ። እቲ ቀዳማይ ሚስተር ናብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ብምኻድ ነቲ ኵነታት ክዕዘብ እንከሎ፣ ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ንምፍላጥ ሰፊሕ መርመራ ከምዝካየድ ገሊጹ። \"ሕጂ'ውን መንነት ናይቶም ሬሳታት ንምልላይ ንፅዕር ኣለና፡ እቶም ኣብረርቲ ሞይቶም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ግምት ልዑል'ዩ\" ኢሉ። ነቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ምሕምሻሽ ስዒቡ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ተዓጽዩ ምህላዉ ተፈሊጡ’ሎ። ፕሪሲዥን ኤየር ዝዓበየ ናይ ብሕቲ መንገዲ ኣየር ታንዛንያ ኰይኑ፡ ብኸፊል ብመገዲ ኣየር ኬንያ ይውነን። ኣብ 1993 ዝተመስረተ እዚ መገዲ ኣየር፡ በረራታት ውሽጢ ሃገርን ዞባን የካይድ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw9nz8e0gp0o"} {"headline":"ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ እስራኤል ዝኣተወ ዘይተፈንጀረ ቦምባ ስንባደ ፈጢሩ","content":"ሓንቲ ኣመሪካዊ ስድራ፡ ሒዛቶ ዝኣተወት ዘይተፈንጀረ ቦምባ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ እስራኤል ብኣባላት ኢሚግረሽን ኣብ ዝተገብረ ተፍትሽ ድሕሪ ምርካቡ፡ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ። እስራኤል ናብ እትቈጻጸሮን ምስ ሶርያ ከቢድ ኲናት ዝተኻየደሉን ጐቦታታት ጎላን ንምብጻሕ ናብቲ ሃገር ዝኣተወት እታ ስድራ፡ ነቲ ቦምባ ኣብኡ ከም ዝረኸበቶ ሰብመዚ ሓቢሮም። ነቲ ፍጻመ ዘርኢ ቪድዮ ከምዘነጽሮ፡ ነቲ ቦምባ ዝተዓዘቡ ገያሾ፡ ሰንቢዶም ካብቲ ቦታ ክሃድሙ ተራእዮም። ብሰብመዚ ጸጥታ ድሕሪ ዝተገብረ መርመራ፡ ሰብ ደሓን ምዃኖም ምስ ተረጋገጸ ናብታ ዝጓዓዙላ ነፋሪት ኣትዮም በረራኦም ክቕጽሉ ተፈቒድሎም። ጐቦታት ጎላን፡ ኣብቲ ብ 1967 ዝተኻየደ 'ኲናት ሽዱሽተ መዓልቲ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ግጭት፡ ካብ ሶርያ ዝተመንዘዐ ዞባ'ዩ። ሓድጊ ናይቲ ከቢድ ውግኣት ኣብቲ ቦታ ክህሉ ከምዝኽእል ከኣ ይግመት። ሓደ 'ዋይነት' ዝተባህለ ማዕከን ዜና እስራኤል ከምዝበሎ፡ ሓሙስ ምሸት፡ ሓንቲ ገያሺት፡ ካብቲ ተሓንጊጣቶ ዝነበረት ቦርሳ ነቲ ቦምባ ብምውጻእ፡ በቲ ተጻዒኑ ዝኸይድ ቦርሳ ከተሕልፎ ትኽእል እንተኾይና ነታ ኣባል ጸጥታ ተወኪሳታ። በቲ ኩነታት ዝሰግአት ኣባል ጸጥታ፡ ሰባት ካብቲ ከባቢ ክርሕቁ ኣዚዛ። ሓደ ኣብ ከባቢኣ ዝነበረ ሰብ፡ ብጌጋ ተረዲእዋ፡ \"ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ\" ብምባል ክጭድር ምስ ጀመረ፡ ኵሉ ሰብ ብስንባደ ክሃድም ጀሚሩ። መደበር ተለቪዥን እስራኤል ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ፡ ብዙሓት ሰባት፡ እናጨደሩ ካብቲ ቦታ ክሃድሙ፡ ገሊኦም ተደቢሮም፡ ገለ ድማ ኣብ መሬት በጥ ኢሎም ዝገብርዎ ጠፊእዎም ይርኣዩ። ኣብ ውሽጢ'ቲ ዕግርግር፡ ወዲ 32 ዓመት ኡሪ፡ ክሃድም ክብል ስለዝቘሰለ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ ነይሩ። \"ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ናብቲ መቐበሊ [ቸክ-ኢን] ንምኻድ ንሓደ ሰዓት ዝኣክል እጽበ ነይረ፣ ሽዑ ሃንደበት ካባይ ሓሙሽተ ሜትሮ ርሒቘም ዝነበሩ ሰባት ቦርሳታቶም ገዲፎም ክሃድሙ ጀሚሮም፡\" ክብል ን'ዋይነት' ተዛሪቡ። \"እቲ ዝነበረና ፍርሒ፡ ሓደ ሰብ ጠያይት ይትኩስ ኣሎ ዝብል'ዩ ነይሩ። ኣነ'ውን ክሃድም ከምዝነበረኒ ተረዲአ፡ ናብቲ መቐበሊ ገጸይ ሃዲመ፡ ኣብቲ መሰጋገሪ ገመድ [ኮንቨየር በልት] ተዓንቂፈ ኸኣ፡ 6 ሜትሮ ዝኸውን ርሒቐ ወዲቐ።\" ካብ ከተማ ተልኣቪቭ ውጽእ ኢሉ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ በን ግሪዮን፡ ካብቶም ኣብ ዓለም ጽኑዕ ጸጥታዊ ምቁጽጻር ዝግበረሎም መዓርፎ ነፈርቲ እዩ። መካይንን ተጓዓዝትን፡ ናብቲ ህንጻ (ተርሚናል) ከይበጽሑ እንከለዉ ጥራይ፡ መፈተሺ ነቝጣታት ኣሎ። ብዘይካ'ዚ፡ እስራኤል ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዘጋጠማ ሂወት ብዙሓት ሰባት ዝቐዘፈ ተኸታታሊ መጥቃዕትታት ኣብ ልዑል ጸጥታዊ ጥንቃቐ'ያ ትርከብ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61276500"} {"headline":"ምኽንያት ንብዙሓት ልዕሊ ዓቕሞም ዝዀነ ወሰኽ ዋጋ በረራ መገዲታት ኣየር እንታይ’ዩ?","content":"ኣብዚ ክውዳእ ቀሪቡ ዘሎ ዓመተ ፈረንጂ [2022]፡ ብርክት ዝበሉ መገዲታት ኣየር ምስራዝ ጉዕዞታት፣ ምጥፋእ ኣቕሓን ምድንጓይ በረራታትን ዝተርኣየሎም ኰይኑ፡ በዚ ብዙሓት ዓማዊል ምንክልባት ክበጽሖም ተራእዩ’ዩ። ብርክት ዝበሉ መገዲታት ኣየር ድማ፡ ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝነበሮም እቶትን ብዝሒ ተጉዓዝትን ክመልሱ ይደልዩ እዮም። ይኹን’ምበር፡ ኣብዚ ዓመት ኣብቲ ኢንዳስትሪ ተራእዩ ዘይፈልጥ ልዑል ወሰኽ ዋጋ ትኬት ይርኣይ ኣሎ። ኣብ ቀረባ እዋን ብመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ናይሮቢ ዝመጽኡ ሰለስተ ተጉዓዝቲ፡ ነፍሲ ወከፎም 28 ሽሕ ብር ከም ዝኸፈሉ ይዛረቡ። እዞም ሰለስተ መሓዙት፡ ብማእኸላይ ገምጋም፡ ሓደ ሰዓትን 45 ካልኢትን ንዝወስድ ናይ ኢኮኖሚ ክፍሊ በረራ በጺሕኻ መምለሲ ብድምር 84 ሽሕ ብር ከፊሎም ኣለው። ዋጋ በረራ፡ ተጉዓዝቲ ብዝመርጽዎ ናይ በረራ ሰዓትን መዓልትን ከምኡ’ውን ‘ኢኮኖሚን ቢዝነስን ክላስ’ ዝተፈላለየ እዩ። እንተዀነ’ውን፡ ድሕሪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብፍላይ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ብነፋሪት ዝግበር ጉዕዞ በቲ ዓቕሚ ዘለዎ ጥራይ ዝድፈር ኰይኑ’ዩ። ሓደ ሽሙ ክርቋሕ ዘይደለየ ተጉዓዚ፡ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ዘሎ ዋጋ በረራ ፈጺሙ ዝድፈር ስለ ዘይኰነ፡ “ብሞያሌ ብኣውቶብስ ክጉዓዝ ተገዲደ’የ” ይብል። መገዲ ኣየር ኬንያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት [2021] ንበረራ ብዙሕ ገንዘብ ብምኽፋል ካብ ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ኰይኑ። እቲ መገዲ ኣየር፡ ኣብ ኣፍሪቃ ኣለው ካብ ዝብሃሉ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን መገዲ ኣየር ደቡብ ኣፍሪቃን ከምኡ’ውን ኤየር ፍራንስ ዝለዓለ ናይ ትኬት ዋጋ ከም ዘኽፍል ተገሊጹ’ዩ። እቲ መገዲ ኣየር [ኬኪው] ናብ 24 ሃገራት ኣፍሪቃ ክበርር እንከሎ ዘኽፍሎ ዋጋ ብምጽናዕ’ዩ፡ ዝኸበረ መገዲ ኣየር ተባሂሉ። ኣፍሪካን ኮምፐቲሽን ፎረም ዝተባህለ ድረ ገጽ፡ መገዲ ኣየር ኬንያ ንበረራ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ብዙሕ ገንዘብ ከም ዝሓትት ይጠቅስ። ይኹን’ምበር፡ መገዲታት ኣየር ደቡብ ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን’ውን፡ ንትኬት ብዙሕ ገንዘብ ካብ ዘኽፍሉ መገዲታት ኣየር ኣፍሪቃ እዮም። ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ኲናት ዩክረይንን፡ ብደረጃ ዓለም ዘሎ ዋጋ በረራታት ወሰኽ’ኳ እንተርኣየ፡ ኣብ ውሽጢ ኣፍሪቃ ዝግበሩ በረራታት ኣዝዮም ክቡራት ዝዀኑሉ ምኽንያት ግን ንብዙሓት ዘዘራርብ ጉዳይ ኰይኑ’ዩ። ኣብ ቀረባ እዋን፡ ብብሪቲሽ ኤየርዌይስ ካብ ዓዲ ኢንግሊዝ ናብ ናይሮቢ በጺሕካ መምለሲ ትኬት ዝቘረጸ ዙሪች፡ ኣስታት 800 ፓውንድ ከም ዝኸፈለ ይዛረብ። ብኣንጻሩ፡ ኣብ ቀረባ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝካየድ ዓብዪ ጕያ ኢትዮጵያ ንምስታፍ ካብ ናይሮቢ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምኻድ መደብ ዘውጽአት ሚሸል፡ ዋጋ ትኬት ልዕሊ 800 ዶላር ኰይኑ ከም ዝረኸበቶ ኣብ ትዊተር ጽሒፋ። እዚ በቲ ሕጂ ዘሎ ሸርፊ ወጻኢ ኬንያ፡ ኣስታት 97 ሽሕ ሽሊንግ እዩ። ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ካብ ናይሮቢ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ በረራ በጺሕካ መምለሲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኰነ ኬንያ ኤየርዌይስ ካብ 19 ሽሕ ክሳብ 25 ሽሕ ሽሊንግ እዩ ነይሩ። ሕጂ እዚ በረራ ኣዝዩ ክቡር ዝዀነሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ? ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ’ዶ ካልእ ተወሳኺ ምኽንያት? ቅድም ኢሉ፡ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ፡ “ብዘይ ጥርጥር” ኣብ ዋጋ ትኬት [በረራ] ወሰኽ ከስዕብ ከም ዝኽእል ሓላፊ ኢንዳስትሪ ኣየር ዊሊ ዋልሽ ኣጠንቂቑ ነይሩ። ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘስዓቦ ቁጠባዊ ጸቕጥን ኲናት ዩክረይንን ስዒቡ፡ ድሕሪ 2008 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ዋጋ ነዳዲ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መልክዑ ወሰኽ ኣርእዩ’ዩ። ዓለምለኸ ማሕበር ኣገልግሎት ኣየር [IATA]፡ እቲ ኢንዳስትሪ ብ2019 ዕዳግኡ ብ58.4 ሚኢታዊት ብምጉዳሉ ኣብ 2021 ልዕሊ 15 ቢሊዮን ዶላር ከም ዝኸሰረ ኣፍሊጡ እዩ። እቶም ኣብዚ ኢንዳስትሪ ዝርኣዩ ወሰኽ ዋጋታት ድማ፡ ናብ ዓማዊል ዝመሓላለፉ ከም ዝዀኑ ዝገልጽ ሓላፊ እቲ ማሕበር ዋሊ ዋልሽ፡ “ብዘይ ጥርጥር በረራ ኣየር ንዓማዊል ኣዝዩ ክኸብሮም’ዩ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። “ልዑል ዋጋ ነዳዲ፡ ኣብ ልዑል ዋጋታት ትኬት ክርኣይ’ዩ”። ብኻልእ ወገን፡ እቲ ኢንዳስትሪ ልዑል ንሕንሕ ዝርኣየሉ ብምዃኑ፡ መገዲታት ኣየር መኽሰቦም ኣብ ዝውስኹ መገዲታት ትኹረት ከም ዝገብሩ ይግለጽ። ነዚ ድማ፡ ቑጽሪ ተጉዓዝቲ ኣብ ዝውስኹሎም ብፍላይ ናይ በዓላት እዋናት፡ ዋጋ በረራ ክውስኹ ይስትውዓል። ናይዚ ሓደ ምኽንያት፡ መገዲታት ኣየር ኣብዞም እዋናት ወሰኽ ዋጋ በረራ ንምግባር ዝቐሎም ምዃኑ’ዩ። እዚ ድማ፡ ብዙሓት ሰባት ኣቐዲሞም ትኬት ከም ዝገዝኡ ስለ ዝፈልጡ ብዙሕ ትኬት ንምሻጥ ዝቐለለ መገዲ ይዀነሎም። ይኹን’ምበር፡ እቲ ካብ ቀረባ ኣዋርሕ ንድሓር ዝተርኣየ ምኽባር ዋጋ በረራታት ነቲ ተራ ሕብረተሰብ ፈጺሙ ዝድፈር ዋጋ ከም ዘይዀነ ብዙሓት ተጠቀምቲ ይገልጹ። ሓላፊ ዝዓበየ መገዲ ኣየር ዓለምና ዝዀነ ዴልታ፡ ኤድ ባስቲያን ብደረጃ ዓለም ዝርኣይ ዘሎ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ፡ ዋጋ በረራ ብ10 ሚኢታዊት ክውስኽ ምኽንያት ክኸውን እዩ ክብል ኣብ ናይ መጀመርታ ኣዋርሕ እዚ ዓመት ኣጠንቂቑ ነይሩ። ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብ2019 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] 200 ሚሊዮን ዓማዊል በዚ መገዲ ኣየር ክበሩ እንከለው፡ በዚ መገዲ ኣየር ዴልታ ኣብ ዓለም ልዑል ቑጽሪ ተጉዓዝቲ ብምሓዝ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዑ ነይሩ። እቲ ናይ መወዳእታ ጽልዋ “ብርግጽ ዋጋ ነዳዲ ኣብ ዝዕረየሉ ቦታ ዝውሰን ክኸውን’ዩ” ክብል ባስቲያን ተዛሪቡ። ካብ ቀረባ ግዜያት ናብዚ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሓዊሱ ዋጋ በረራታት ካልኦት ዓበይቲ መገዲታት ኣየር ኣዝዩ ክቡር ኰይኑ እዩ። ተነሓናሕቲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ሓሓሊፉ ትሑት ዋጋ በረራ ከቕርቡ ከም ዝኽእሉ ዝጠቅስ ዋና ኦፊሰር ኦፕሬሽን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ ለማ ያደቻ፡ “ብሄራዊ መገዲ ኣየር እንተዀይኑ መንግስቲ ክድግፎ ይኽእል’ዩ” ኢሉ። “ከምቲ ዝፍለጥ፡ ኣብ እዋን ኮቪድ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ካልእ ሓደ ትካልን’ዮም ኣብ እዋን ኮቪድ ካብ ዘጋጠመ ሓደጋ ናይ ምድሓን ገንዘብ [bailout] ዘይተቐበሉ። ንሕና ወጻኢታትናን ኣታዊታትናን ኣመዛዝንና ኢና ንሰርሕ”። ኣብ ዓመተ 2022፡ ብደረጃ ዓለም ኣብ ኢንዳስትሪ ኣየር ዝተራእየ ወሰኽ ዋጋ በረራ፡ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ስዒቡ ዝመጽአ ምዃኑ ኣካያዲ ስራሕ መገዲ ኣየር ኬንያ ኣብ ኢትዮጵያ ፌሊክስ ምዋንጋንጊ ይዛረብ። ነዚ ንምርዳእ፡ ኣብ ዝዀነ ነገር እንርእዮ ዋጋ፡ በቲ ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ጠለብን ቐረብን ዝውሰን ስለ ዝዀነ፡ እዚ ኣብ በረራ ኣየር እውን ዝተፈለየ ከም ዘይኰነ ይገልጽ። እዚ፡ ኣብ መላእ ኢንዳስትሪ ኣቪየሽን ጽልዋ ኣሕዲሩ’ዩ ክብሃል ከም ዝኽእል፡ ዝገልጽ ፌሊክስ ቅድሚ ለበዳ ኮቪድ ዝነበሩ ድጎማታት ድሕሪኡ ምቕይያር ምርኣዮም ሓቢሩ። ኣቶ ለማ ያደቻ፡ ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተራእየ ወሰኽ ዋጋ በረራ ከብርህ እንከሎ፡ እቲ ሓደ ምኽንያት መንግስታት ካልኦት ሃገራት ዘንብሩዎ “ግብሪ” እዩ ይብል። ንሱ ከም ዝብሎ፡ ዋጋ በረራ፡ ዝወጽእ ወጻኢ ተሞርኲዙ እዩ ዝትመን። በዚ መሰረት፡ እቲ መገዲ ኣየር ድማ፡ ናብ ካልእ ሃገር ክጉዓዝ እንከሎ ዘውጽኦ ወጻኢ ኣስሊሑ ከምኡ’ውን ዘቕርቦ ኣገልግሎት ኣብ ግምት ብምእታው ዋጋ ከም ዝትምን ይገልጽ። ካልእ፡ ዋጋ ትኬት ዝኸበረሉ ምኽንያት ብደረጃ ዓለም ዘሎ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ምዃኑ፡ እቲ ኦፊሰር ኦፕሬሽን ይዛረብ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክፍሊት ኣገልግሎት መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝወሰኸ ይጠቅስ። ኣቶ ለማ፡ ኣብ መገዲታት ኣየር ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ተጉዓዝቲ ካብ ምምጋብ ጀሚሩ፣ ዝዓርፍሉ ቦታ ብምድላው፣ መግቢ ብምቕራብ፣ ነዳዲ ብምምላእ፣ ናይ ጽርየት ስራሕትን ካልኦት ኣገልግሎታትን ዝህቡ ዘኽፍሉዎ ዋጋ ምውሳኹ ዋጋ ትኬት ክውስኽ ምኽንያት ኰይኑ’ዩ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። “እዞም ወጻኢታት፡ እናወሰኹ ኣብ ዝመጽእሉ ግዜ ድማ ንሕና ወጻኢታትና እነከሓሕሰሉ ክፍሊት ንሓትት”። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ብዝረኽቦ እቶት ንርእሱ ከም ዘመሓድር ዝዛረብ ኣቶ ለማ፡ እቲ መገዲ ኣየር “ሰሪሑ ካብ ዝረኽቦ እቶት ድማ ወጻኢታቱ ክሽፍን ኣለዎ” ይብል። እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ኣብ ውሽጢ ኣፍሪቃ ዝግበሩ በረራታት፡ ብመንጽር ካብ ኣፍሪቃ ናብ ካልእ ኣህጉር ዝግበር በረራ ኣዝዮም ክቡራት እዮም። ናይዚ ምኽንያት፡ ኣብቲ ኣህጉር ኣገልግሎት ዝህቡ መገዲታት ኣየር ኣዝዮም ውሑዳት፤ ምናልባት’ውን ብሽም ክርቁሑ ዝኽእሉ ምዃኖም እዩ። “ኣብ ውሽጢ ኣፍሪቃ ዝሰርሑ መገዲታት ኣየር ሒደት’ዮም። እዚ፡ እቲ ቐረብ ክውሕድ ስለ ዝገብሮ፡ ኣብ ዕዳጋ ኣብ ዝህሉ ዋጋ በረራ ለውጢ ክርኣይ ገይሩ’ዩ። ብቐሊሉ፡ ውሑዳት መገዲታት ኣየር ኣለው ማለት፡ እቲ ዋጋ ይኸብር ማለት እዩ” ክብል ኣካያዲ ስራሕ መገዲ ኣየር ኬንያ ኣብ ኢትዮጵያ ፌሊክስ ምዋንጋንጊ ይገልጽ። ብኻልእ ወገን፡ ድሕሪ ኮቪድ ኣብ ቀንዲ ዕዳጋታት ኣፍሪቃ ዝተራእየ ወሰኽ ከም ዘሎ ዝገልጽ ፌሊክስ ምዋንጋንጊ፡ “እዚ ማለት፡ ጠለብ ክውስኽ እንከሎ ዋጋ በረራ ይወስኽ ማለት እዩ” ይብል። ይኹን’ምበር፡ እቲ በረራ ዋላ’ውን ኣብ ውሽጢ ኣፍሪቃ እንተዀነ፡ እቲ ትኬት ኣብ መላእ ዓለም ንዘለው ዓማዊል ዝሽየጥ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን ብምባል፡ ኣብዚ ‘ፖይንት ቱ ፖይንት ትራፊክ’ ብዝብሃል መገዲ ናይ ዋጋ ውድድር ከም ዝግበር ይሕብር። ብተወሳኺ፡ ሓደ ዓሚል ናይ በረርኡ ትኬት ደንጒዩ ዝገዝእ እንተዀይኑ፡ እቲ ዝኸበረ ዋጋ እዩ ዝረክብ ኢሉ። መገዲታት ኣየር ዝኸፍሉዎ  ‘ኣይታክስ' [ኣይ ገቨርምንት] ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓይነት ግብሪ ድማ፡ ኣብ ምኽባር ዋጋ ትኬት ኣስተዋጽኦ ከም ዘለዎ ፌሊክስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣረዲኡ። እዚ ማለት፡ መገዲታት ኣየር ንመንግስቲ ዝዓርፉላ ሃገር ዝኸፍሉዎ ክፍሊት ኣገልግሎት'ዩ። \"ንኣብነት ካብ ናይሮቢ ናብ ኢንተቤ ክኽየድ እንከሎ፡ ንመንግስቲ ዝኽፈል ክፍሊት ኣሎ። ሓሓሊፉ እቲ ንመንግስቲ ዝኽፈል ግብሪ ኣስታት 30 ሚኢታዊት ዋጋ ትኬት እዩ\" ብምባል ኣብሪሁ። ዋና ኦፊሰር ኦፕሬሽን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ ለማ ያደቻ እውን በዚ ሓሳብ ይሰማማዕ። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘለው ሕግታት ታክስ፡ ኣብ ወሰኽ ዋጋ በረራ ናይ ባዕሎም ተራ ዘለዎም ኰይኑ፡ ገለ ሃገራት እቶት ኣታዊ ከም ዘኽፍላ ይግለጽ። እቲ መገዲ ኣየር ብቐዳምነት ኣብ ዝሰርሓሎም ሃገራት ኣፍሪቃ ዘሎ ‘ኮስት ኦፍ ቢዝነስ’ ኣዝዩ ልዑል’ዩ” ዝብል ኣቶ ለማ፡ በዚ ምኽንያት ዋጋ ትኬት ከም ዝኸብር ገሊጹ። “ኣብ ሞንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ እቲ መገዲ ኣየር ዝበረላን ሃገር ስምምዕ ‘ታክስ ኣቮይዳንስ’ እንተሃልዩ፡ እቲ ግብሪ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኢና ንኸፍል” ዝብል እቲ ሓላፊ እዚ ስምምዕ እንተዘይሃልዩ ግን፡ ኣብ ዋጋ ትኬት ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ ከም ዝኽእለ ሓቢሩ። ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ግብሪ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዝዩ ልዑል ከም ዝዀነ ዝዛረብ እቲ ሓላፊ፡ ማይ ምቕያር፣ ነዳዲ ምምላእን ካልኦት ‘ናይ ግራውንድ’ ስራሕቲ ዝሰርሑ ትካላትን ዝሓቱዎ ክፍሊት ልዑል እዩ ይብል። መገዲታት ኣየር ኢመሬት፣ ጃፓንን ኤየር ኤዥያን፡ ዋጋ ነዳዲ ጀት ንምሽፋን ኣብ ዋጋታት በረራ ወሰኽ ካብ ሞንጐ ዘርኣዩ መገዲታት ኣየር ይጥቀሱ። ነዳዲ ጀት፡ እቲ ዝለዓለ ወጻኢ መገዲታት ኣየር ከም ዝዀነ ይግለጽ። ብኻልእ ወገን፡ ሓደ ትኬት ኣብ ዝቑረጸሉ መዓልቲ ዝምርኰዝ ከም ዝዀነ ዝጠቅስ ኣቶ ለማ፡ ንኣብነት ሓደ ዓሚል ካብ ዝበረሉ ዕለት ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝዓደጐ እንተዀይኑ፡ ዋጋኡ ዝንክየሉ ምኽንያት እቲ መገዲ ኣየር ነቲ ገንዘብ ተቐቢሉ ስለ ዝሰርሓሉ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ምጉዳል ዋጋ ከም ዝህሉ የብርህ። ብኣንጻሩ፡ እትበረሉ እዋን ኣብ ዝኣኸለሉ ግዜ ዝቑረጽ እንተዀይኑ “ቢድ ፕራይሲንግ” ብዝብሃል መገዲ ከም ዝሽየጥ ጠቒሱ። ‘ቢድ ፕራይሲንግ’ ማለት፡ ዓማዊል ነተን ዝተረፋ መናብር ይወዳደሩን ዝሓሸ ዋጋ ዝኸፈለ ነቲ መንበር ይረኽቦን ማለት እዩ። ሓጺር ሰዓታት ዝወስዱ በረራታት ዋጋኦም ኣዝዩ ልዑል ምዃኑ ድማ፡ ቅርታ ብዙሓት ዓማዊል እዩ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ካብ ናይሮቢ ናብ ዱባይ ዝገብሮ በረራ፡ ካብቲ ካብ ናይሮቢ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገብሮ በረራ ዝተሓተ ዋጋ ትኬት ኣለዎ። ካብ ናይሮቢ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ በረራ ብማእኸላይ ገምጋምካብ ሰዓትን ፈረቓን ክሳብ ክልተ ሰዓታት ዝወስድ ኰይኑ፡ ካብ ናይሮቢ ካብ ዱባይ ዝግበር በረራ ሽዱሽተ ሰዓታት ክወስድ ይኽእል። መገዲ ኣየር ኬንያ’ውን ብተመሳሳሊ፡ ንበረራ ሓጺር ሰዓታት ዘኽፍሎ ገንዘብ ልዕል ዝበለ እዩ ዝብል ነቐፌታ ይበጽሖ’ዩ። ፌሊክስ ምዋንጋንጊ ናይዚ ምኽንያት ከረድእ እንከሎ፡ ብቐንዱ መብዛሕትኦም በረራታት ብውሑዳት መገዲታት ኣየር ዝሳለጡ ምዃኖም እዩ ይብል። ይኹን'ምበር፡ ካብ ናይሮቢ ናብ ዱባይ ዝግበር በረራ፡ ነዊሕ ሰዓት ስለ ዝወስድ፡ ሓደ ወይ ክልተ ሰዓት ካብ ዝወስድ በረራ ዝዛየደ ዋጋ ክህልዎ ይግባእ ማለት ኣይኰነን። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ መገዲታት ኣየር ንዝህቡዎ ኣገልግሎት ‘ቫሊዩ ቤዝድ ፕራይሲንግ’ ዝጥቀሙ ብምዃኑ እዩ ይብል ፌሊክስ። “ዋጋ ኣነ ዘቕርቦ ኣገልግሎትን ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ዋጋን ክንደይ ዝኣክል እዩ? ዝብል ይርኣይ። እዚ ዋጋ ኣብ ዕዳጋ ብዘሎ ውድድር ይውሰን። ስለዚ ነዊሕ ርሕቐት ዘለዎም በረራታት ካብቲ ሓጺር ርሕቐት ብተዛማዲ ትሑት ዋጋ ክህልዎም ዝገብር ናይ ቐረብ ዓቕሚ እዩ”። ምኽባር እዞም በረራታት ቑጽሪ እቲ ኣገልግሎት ዝህቡ መገዲታት ኣየር ውሑድ ምዃን ድማ ካልእ ምኽንያት ምኽባር ዋጋታት ከም ዝዀነ እቲ ሓላፊ የብርህ። ንኣብነት መብዛሕትኡ ግዜ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ናይሮቢ ወይ ናይሮቢ - ኣዲስ ኣበባ ዝግበሩ በረራታት ኣገልግሎት ዝህቡ መገዲታት ኣየር ‘ኬኪው’ን ‘ኢቲ’ን እዮም። ካብ ካልኦት ሃገራት ዝብገሱ መገዲታት ኣየር ነዚ ኣገልግሎት ክህቡ እንተኽኣሉ’ውን፡ እቲ ዝወስዱዎ ሰዓት ግን ነዊሕ ክኸውን ከም ዝኽእል ድማ ይጠቅስ። እዚ ኣገልግሎት ‘ቫያ ኬርየርስ’ ዝብሃል ኰይኑ፡ ነዚ ከም ኣማራጺ ዝጥቀሙ ተጉዓዝቲ መጠን ዝኸፍሉዎ ገንዘብ እንተነከየሎም’ውን እቲ ኣብ ዝደልዩዎ ቦታ ንምብጻሕ ዝወስደሎም ግዜ ግን ዝነውሐ’ዩ ዝኸውን ክብል ሞያዊ መብርሂኡ ይህብ። ይኹን'ምበር፡ ሓደ ሰብ ብመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብቐጥታ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክመጽእ እንከሎን፡ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተበጊሱ ኣብ ናይሮቢ ዓሪፉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክመጽእ እንከሎን ዝረኽቦ ምቾት ሓደ ዓይነት ኣይኰነን ይብል ዋና ኦፊሰር ኦፕሬሽን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ ለማ። “እቲ ነፋሪት፡ ኣብ ክንዲ ብቐጥታ ዝመጽእ ካብ ሓደ ከተማ ናብ ካልእ ከተማ ኣቘራሪጹ ዝጉዓዝ እንተዀይኑ፡ እቲ ተጉዓዚ ምቾት ኣይህቦን። ስለዚ ብቐጥታ ክመጽእ እንከሎ፡ ዋጋ ይውስኽ፤ እናቈራረጸ ክምጽእ እንከሎ ድማ ዋጋኡ ክንኪ ይኽእል” ኢሉ። ህልዊ ዓለማዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዋጋ ትኬት ክንኪ’ዩ ምባል ኣዝዩ ኣጸጋሚ ከም ዝዀነ እቲ ተንታኒ ይዛረብ። ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ፣ ምኽባር ዋጋ ነዳድን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘለው ጐንጺታትን፡ ዋጋ በረራ ኣብ ቀረባ እዋናት ክንኪ’ዩ ዝብል ግምት ከም ዘየሎ ሰብ ሞያ እቲ ኢንዳስትሪ ይገልጹ። ፌሊክስ ግን ምናልባት “ድሕሪ ሓደ ዓመት” ዝብል ግምቱ የቐምጥ። “መገዲታት ኣየር፡ እቲ ዋጋ በቲ ዘለዎ’ዶ ይቐጽል ኣብቲ ዕዳጋ ካልኦት መገዲታት ኣየር ይወሰኹ ዝብል ጸቕጢ ኣለዎም” ዝብል ፌሊክስ፡ ናብቲ ዕዳጋ ተወሰኽቲ ኣማራጺታት ክመጽኡ ምግባር ነቲ ዋጋ ከረጋግኦ’ዩ ዝብል እምነት ኣለዎ። “እዚ ኣብ ዓመት፡ ክልተ ጊዜ ዝጉዓዝ ዝነበረ ሓደ ዓሚል ብዕጽፊ ንክጉዓዝ ክገብሮ’ዩ ማለት እዩ። ይኹን’ምበር፡ ዋጋ በረራ ምናልባት ንሓደ ዓመት ኣብ ዘለዎ ዝቕጽል ይመስለኒ። ምኽንያቱ መገዲታት ኣየር መኽሰባቶም ክመልሱ ይደልዩ’ዮም”። እንተዀነ፡ ዓማዊል ክልተ ኣማራጺታት ተጠቒሞም ዝሓሸ ዋጋ በረራ ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ እቲ ሓላፊ ይጠቅስ። እቲ ሓደ፡ መገዲታት ኣየር ወግዓዊ ዝገብሩዎ ‘ፕሮሞሽናል ፌር’ [መወዓውዒ ዝነከየ ዋጋ] ኰይኑ፡ እቲ ካልእ ድማ እትጉዓዘሉ ግዜ ኣቐዲምኻ ብምትላም ብዝሓሰረ ዋጋ ትኬት ምዕዳግ እዩ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c72nj0kg8dlo"} {"headline":"ነፈርቲ ታክሲ ስራሕ ክጅምራ ተቓሪበን ኣለዋ","content":"ብሰማይ ሰማይ እናበረራ ኣገልግሎት ታክሲ ክህባ ዝስርሓ ዘለዋ ነፈርቲ፡ እቲ ኣገልግሎት ዝህባሉ ግዜ እናተቓረበ ይመጽእ ምህላው ይግለጽ ኣሎ። ተቘጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር ኣሜሪካ፡ ትማሊ ሰኑይ ነተን ባህርያት ሄሊኮፕተራትን ነፈርትን ሓዊሰን ከም ታክሲ ክሰርሓ ዝሕሰባ ዘለዋ ማሽናት፡ ብወግዒ ናብ ዝርዝር ቁጽጽር ዝግበረለን ነፈርቲ ንምጽንባረን ዘኽእል ሕግታት ኣውጺኦም ኣለው፤ እዚ ድማ እቲ ኣገልግሎት ንምጅማር ዘኽእል ደራኺ ስጕምቲ እዩ። ትካላት ንዓማዊለን ኣገልግሎት ቅድሚ ምጅማረን እዚ ሕግታት ምፍላጡ ኣድላዪ ምዃኑ ይግለጽ። እዚ፡ ሓያለ ኩባንያታት ኣብቲ ንመጻኢ ከም ህዝባዊ መጓዓዝያ ክኸውን ዝቐርብ ዘሎ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ወፍሪ ኣብ ዘዕበያሉ ዘለዋ እዋን ዝውሰድ ዘሎ ስጕምቲ እዩ። ዓበይቲ መንገዲ ኣየራት ጠለባት ኣብ ዘቕርባሉ፡ ኣውፈርቲ ኣብዚ ዓውዲ መጓዓዝያ ንኸውፍሩ ዘኽእሎም፡ ገንዘብ ከፍስሱ ጸኒሖም እዮም። እዚ ብኤለክትሪካዊ ትዅላዊ ምብራርን ምውራድን [ቨርቲካል ቴክኦፍ ኤንድ ላንዲን - eVTOL] ዝፍለጥ፡ እተን ነፋርቲ፡ መዕርፎ ነፈርቲ ከየድለየን ክበርራን ክዓልባን ዘኽእለን ኰይኑ፡ ከም ነፋሪት ነዊሕ ርሕቀት እውን ክጓዓዛ ብቕዓት ዝህበን እዩ። ብተወሳኺ፡ እዘን ነፈርቲ ሞተር ኤሌክትሪክ ዝጥቀማ ኰይነን፡ ብመንጽር እተን ምዱባት ነፈርቲ ክርአ እንከሎ ድምጽን ብከላን ዝቕንሳ እየን። እዚ ቴክኖሎጂ መጓዓዝያ፡ ጻዕቂ ተሽከርከርቲ ኣብ ዘለወን ከተማታት ብፍላይ፡ ርትዓዊ ብዝዀነ ዋጋ ጽቕጥቅጥ ትራፊክ ንምንካይ የኽእልዶ? ዝብል ዛዕባ ከካትዕ ጸኒሑ እዩ። እዚኣተን ከም ኣማራጺ መጓዓዝያ ጽዕነት እውን ይርኣያ ኣለዋ። ኣብ ኣውሮጳ፡ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝካየድ ኦሎምፒክ 2024፡ እዘን ነፈርቲ ታክሲ ኣገልግሎት ክህባ ክጅምራ ተስፋታት ኣሎ። ንሕጋጋት በረራኡ ኣመልኪቱ ከነጽር ጸቕጢ ክግበረሉ ዝጸንሐ ምምሕዳር ኣቭየሽን ፈደራል፡ ‘ኤየር ካርየር’ ብዝብል ከም ነፈርትን ሄሊኮፕተራትን ዝቘጽሮም ማሽናት ዝሃቦ ትርጕም ብምስፋሕ፡ ‘ፓወርድ ሊፍት’ ዝብል ምድብ ከም ዝኣመመ ትማሊ ሰኑይ ወግዓዊ ገይሩ። እቲ ትካል ንውሳነኡ፡ \"ንንግዳዊ ንጥፈታት ነፈርቲ ታክሲ ክውን ንምግባር ኣገዳሲ ስጕምቲ\" ክብል ገሊጽዎ። እቶም ሕግታት ናብ ግብሪ ቅድሚ ምውዓሎም ግን ካብ ህዝቢ ርእይቶ ክወሃበሎም እዩ። \"እዚ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ መምርሒታትና ነዘን ነፈርቲ፡ ኣብ ንግዳዊ ንጥፈታት ክሰርሓ ንክኽእላ ዘኽእል’ውን ስለዝዀነ እዩ፡\" ይብል እቲ ትካል። ብተወሳኺ፡ ከምዚአን ዝኣመሰላ ነፈርቲ ንምንቅስቓስ ዘኽእል ሕጊ፡ ኣብ ዝመጽእ ክራማት 2023  ክዝርግሕ ትጽቢት ከምዘለዎ ገሊጹ። በዚ መሰረት እዚ ሕግታት፡ ኩባንያታት ኣየር ታክሲ፡ ንፓይለታት ፍቓድ ንምሃብን ስርሐን ንምጅማርን ከማልኣኦ ብዛዕባ ዘለወን መዐቀኒታት ብዝርዝር ዝገልጽ ክኸውን እዩ። ምክትል ፕረዚደንት ምህንድስናን ጽገናን ማሕበር ኣቭየሽን፡ ዋልተር ደስሮሲየር፡ ነቲ ትማሊ ሰኑይ ዝተወስደ ስጕምቲ ኣቭየሽን ውሳነ፡ \"ኣዝዩ ኣገዳሲ ቀዳማይ ስጕምቲ\" ክብል ንኢድዎ፤ እዚ ድማ እቲ ፈደረሽን ኣብቲ ጉዳይ እወታዊ ምዕባለታት ንምምጻእ ዘለዎ ድልውነት ዘመልክት እዩ። \"እዚ ኣመና ኣወንታዊ ምዕባለ'ኳ እንተዀነ፡ እቲ ዝርዝር ግን ብሕጂ ክንጽበ ኢና\" ኢሉ። ሓያለ ተንተንቲ ኣሜሪካ ግን፡ ነፋርቲ ታክሲ ክሳብ 2024 ወይ 2025 ብወግዒ ስራሕ ክጅምራ ይኽኣላ እየን ዝብል ትጽቢት የብሎምን። እዚ ድማ ብገለ ሸነኹ ብሰንኪ ‘ቲ፡ ‘እዘን ማሽናት ብኸመይ ቍጽጽር ክግበረለን እዩ? ምስቲ ዝጸንሐ ሕግታት ውሽጢ ዓዲን ምቁጽጻራዊ ጉዳያትን ክጋጮ ይኽእል’ዩ፡ ወዘተ ዝብሉ ብቐጻልነት ከካትዑ ዝጸንሑ ጉዳያት እዩ። ዋላ’ኳ እቲ ደረት ግዜ ርግጸኛ እንተዘይኰነ፡ መንገዲ ኣየር ዩናይትድን ደልታን ካብቶም ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ነዚ ሓሳብ ብምድጋፍ ብሚልዮናት ዝቝጸር ዶላራት ቃል ዝኣተዉ ዓበይቲ ኩባንያታት እዮም። ብደረጃ ዓለም'ውን ኣማኢት ኩባንያታት ናብዚ ቢዝነስ ይጓየያ ከም ዘለዋ እዩ ዝፍለጥ። ኣብ ማክኪንዚ፡ መሻርኽትን መራሒ ማእከል መጻኢ ተሽከርከርት ናይቲ ትካልን ዝዀነ ሮቢን ሪደል፡ ብዙሓት ኩባንያታት ክፈሽላ ከምዝኽእላ እዩ ዝገልጽ። ንሱ፡ እቲ ከጋጥም ዝኽእል ቴክኒካዊ ብድሆን ከምኡ'ውን እምነት ህዝቢ ናይ ምርካብ ተኽእሎን ወጻኢታት ብምንካይ ነፈርቲ ታክሲ ብሰፊሑ ብተመጣጣኒ ዋጋ ከም ዝሽየጣ ኣብ ምግባር ክጽገማ ከም ዝኽእላ እዩ፡ ከም ምኽንያት ዘቐምጥ። ከምዚ ዓይነት መጓዓዝያ፡ ክሳብ ድሕሪ 2030 ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ዝተመርጻ ውሱናት ከተማታትን መስመራትን፡ ብቐንዱ ድማ ንኣዝዮም ሃብታማት ንጋዶን ጥራይ ተሓጺሩ ከም ዝቕጽል እዩ ዝኣምን። \"ድሕሪ ሕጂ ንሃብታማት ጥራይ ዝኸውን ኣሻንጕሊት ክሰርሕ ዝደሊ ሰብ የለን፣ ዕዳጋኡ ኣዝዩ ድሩት'ዩ\" ይብል። ስለዚ፡ \"ከም ሕብረተሰብን ከም ኢንዱስትሪን ክውንነታውያን ክንከውን ኣለና፡” ክብል ኣተሓሳሲቡ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw0wjy94nrlo"} {"headline":"ዋጋ በረራታት ኣዝዩ ክኸብር’ዩ'","content":"ዳይሬክተር ዓለምለኸ ማሕበር መጓዓዝያ ነፈርቲ ዊሊ ዎልሽ፡ ዋጋ ትኬት ነፈርቲ “ብዘይጥርጥር” ክውስኽ ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ። ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘሕደሮም ጽልዋታትን ኲናት ዩክረይንን ዋጋታት ነዳዲ ከም ዝነሃረ ይግለጽ። ሳዕቤን ናይዚ ድማ፡ ኣብ ዋጋታት ትኬት ገያሾ ከም ዝንጸባረቕ ፈጻሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ብሪትሽ ዝነበረ ዊሊ ዎልሽ ሓቢሩ። ነዚ ኸኣ ገያሾ ኣብ ግምት ኣእትዮም ተዳልዮምሉ ክጸንሑ ከም ዝግባእ ኣገንዚቡ። “ገያሾ ዋጋ ትኬት ከም ዝኸብሮም ዘጠራጥር ኣይኰነን። ገዚፍ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ፡ ኣብ ወሰኽ ዋጋ ቲኬት ክርአ’ዩ” ኢሉ። ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘሕደሮ ጽልዋ ቍጠባአን ምሕዋይ ኣብ ዝጀመራ ሃገራት፡ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ደጊሙ ይርአ ኣሎ። ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር’ውን ምኽንያት ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ኰይኑ’ዩ። ሃገራት ምዕራብ፡ ኣብ ልዕሊ ነዳዲ ሩስያ እገዳታት ይገብራ ምህላወን ይፍለጥ። ኣሜሪካ ምሉእ ብምሉእ ካብ ሩስያ እትዕድጐ ነዳዲ ደው ከም እተብል ብወግዒ ኣፍሊጣ እያ። ኤውሮጳዊ ሕብረት ድማ ኣብ መወዳእታ 2022፡ ካብ ሩስያ ዝኣቱ መጠን ነዳዲ ናብ ባዶ ከም ዘውርዶ ኣፍሊጡ። ነዳዲ ሩስያ ካብ ዕዳጋ ክወጽእ ምግባር ማለት ድማ፡ ብኻልኦት ኣፍረይቲ ነዳዲ ኣቢሉ ናብ ዕዳጋ ዝቐርብ ነዳዲ ሓፍ ክብል ምኽንያት ክኸውን እዩ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/czrdlznml2ro"} {"headline":"ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቓድሾ እናዓለበት ዝተሓምሸሸት ነፋሪት","content":"ኣብ ሶማልያ፡ ሓንቲ 36 ሰባት ጽዒና ዝነበረት ነፋሪት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ክትዓልብ ኣብ ዝፈተነትሉ ተራጺማ ድሕሪ ምውዳቓ ከምዝተገልበጠት ጸብጻባት ሓቢሮም። ኣብቶም ተጓዓዝቲ ግን ዝኾነ ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ ተገሊጹ። ካብቲ ኣብ ርእሰከተማ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ጽዑቕ ጸሊም ትኪ ናብ ሰማይ ክዓርግ ተራእዩ። መጥፋእቲ ሓዊ ነታ ምስ ተሓምሸሸት ባርዕ ዘጋጠማ 'ፎከር 50' ዝዓይነታ ነፋሪት ካብቲ ሓዊ ንምግልጋል እናጸዓሩ ዘርእዩ ደረቕን ተንቀሳቓሲን ስእልታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሖም ኣለዉ። እታ ዋንነታ ናይ መንገዲ ኣየር ጁባ ዝኾነት ነፋሪት፡ ካብ ከተማ ባይዶዋ ተበጊሳ ናብ ሞቓድሾ ናይ ውሽጢ ዓዲ በረራ ተካይድ ዝነበረት'ያ። ሰብመዚ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ተጓዓዝትን ኣባላት በረራን ኩሎም ከምዝደሓኑ ተዛሪቦም። ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ዛጊት ኣይተፈልጠን ዘሎ። መንገዲ ኣየር ጁባ ነቲ ሓደጋ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ምስተፈልጠ ተወሳኺ ሓበሬታ ከውጽእ ምዃኑ ኣፍሊጡ'ሎ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2e5lx5y2vo"} {"headline":"ካብ ጋምቢያ ናብ እንግሊዝ ኣብ ዝበረረት ነፋሪት ሬሳ ዝተሓብአ ሰብ ተረኺቡ","content":"ኣብ እንግሊዝ መዓርፎ ነፈርቲ ጋትዊክ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ጐማ ተዓጺፉ ዝኣትወሉ ታሕተዋይ ክፋል ነፋሪት፡ ሬሳ ሓደ ሰብኣይ ከምዝተረኸበ ተገሊጹ። ፖሊስ ነቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተረኽበ ሬሳ ንምጽራይ መርመራ የካይድ ኣሎ ተባሂሉ። እታ ነፋሪት ካብ ርእሰ ከተማ ጋምብያ ባንጁል ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ምዕራብ ሳሴክስ እያ ተጓዒዛ። እቲ ሬሳ ብ7 ታሕሳስ 2022፡ ኣብቲ ጐማ ነፋሪት ተዓጺፉ ዝኣትወሉ ታሕተዋይ ክፋል ነፋሪት ከምዝተረኸበ ፖሊስ ሳሴክስ ኣፍሊጡ’ሎ። ወሃቢ ቃል መዓርፎ ነፈርቲ ጋትዊክ፡ \"እዚ ኣዝዩ ዘሕዝን ዜና'ዩ፡ ንስድራቤትን ፈተውትን መዋቲ ድማ ሓዘንና ንገልፅ\" ኢሉ። \"ብ7 ታሕሳስ ካብ ጋምብያ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ለንደን ጋትዊክ እትጓዓዝ ኣብ ዝነበረት ነፋሪት፡ ሬሳ ድሕሪ ምርካቡ ምስ ሰብመዚ መርመራ ይካየድ ከምዘሎ ነረጋግጽ” ክብል እውን ኣፍሊጡ። ፖሊስ ሳሴክስ ብወገኑ \"ኣባላት ፖሊስ ምርመራ የካይዱ ኣለዉ፡ ንኤችኤም ኮሮነር [ንዘይሻራዊ ፍርዳዊ ኣካል] ጸብጻብ ከዳልው'ዮም\" ኢሉ። ወሃቢ ቃል መንግስቲ ጋምብያ፡ መዋቲ መንነቱ ዘይተፈልጠ ጸሊም ሰብኣይ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። እቲ ካብ ጋምብያ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝግበር 4,444 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ጕዕዞ መብዛሕትኡ ግዜ ብቐጥታዊ በረራ ኣስታት ሽዱሽተ ሰዓትን ፈረቓን ይወስድ። ናብ እንግሊዝ ኣብ ዝግበሩ በረራታት ኣብ ውሽጢ ዝተፈላለዩ ክፍሊታት ነፋሪት ተሓቢኦም ክጓዓዙ ዝፍትኑ ሰባት ሞይቶም ዝተረኽቡሎም ክስተታት ብዙሓት እዮም። ኣብ 2001 ሬሳ ፓኪስታናዊ ወዲ 21 ዓመት መሓመድ ኣያዝ ኣብ ሪችሞንድ ኣብ ጥቓ መዓርፎ ነፈርቲ ሄትሮ ኣብ ዝርከብ መዕረፊ መካይን ተረኺቡ። ኣብ 2007 ኣብ ጐማ ሓንቲ ሎስ ኣንጀለስ ዝዓለበት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ብሪጣንያ ሬሳ ሓደ መንእሰይ ተረኺቡ። ኣብ ነሓሰ 2012 ካብ ኬፕታውን ተበጊሳ ኣብ እንግሊዝ መዕርፎ ነፈርቲ ሄትሮ ኣብ ዝዓለበት ነፋሪት ሬሳ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ትሕቲ ሳንዱቕ ጐማ ከምዝተረኸበ ይዝከር። እዚ ዘሕዝን ክስተት ካብ ዘጋጥም ድሕሪ ወርሒ ድማ፡ ሞዛምቢካዊ ወዲ 26 ዓመት ጆሴ ኣብ ምዕራብ ለንደን ሞርትሌክ ኣብ ዝርከብ ጐደና ካብ ነፋሪት ወዲቝ ተረኺቡ። ካብ ኣንጎላ ተበጊሳ ትጓዓዝ ካብ ዝነበረት ነፋሪት ብምውዳቝ ከቢድ መጕዳእቲ ስለዘጋጠሞ እዩ ሞይቱ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cjjqw7ezd14o"} {"headline":"ኣብ ዓለም ልዑል ተቐባልነት ዘለዎ ፓስፖርት ናይ መን እዩ? ናይ ኤርትራ'ኸ?","content":"ፓስፖርት ጃፓን ኣብ ዓለምና እቲ ዝለዓለ ተቐባልነት ዘለዎ ፓስፖርት ምዃኑ ተገሊጹ። ትካል ሄንሊ፡ ኣሃዛት ዓለምለኻዊ መጓዓዝያ ኣየር ተጠቒሙ ብዘውጽኦ ደረጃ መሰረት፡ ፓስፖርት ጃፓን እቲ ዝለዓለ ተቐባልነት ዘለዎ እዩ ኢሉ። እዚ ማለት፡ እዚ ፓስፖርት ዝሓዙ ሰባት ብዘይ ቪዛ ናብ 193 ሃገራትን ግዝኣታትን ክጓዓዙ ይኽእሉ፤ ወይ'ውን ኣብ ዝኸድሉ ሃገር ቪዛ ይረኽቡ። ሄንሊ፡ ገያሾ ብመሰረት'ቲ ዝሓዝዎ ፓስፖርት፡ 'ብዘይ ኣቐዲሙ ዝሕተት ቪዛ ናብ ክንደይ ሃገራት ክጓዓዙ ይኽእሉ?' ብዝብል መጽናዕቲ እዩ፡ ደረጃ'ቲ ፓስፖርት ዝልክዕ። እዚ ማለት፡ 'ሓደ ተጓዓዚ ቪዛ ከየድለዮ ናብ ዝደለዮ ሃገር ይንቀሳቐስ ወይ ኣብ ዝኣተወሉ ሃገር ቪዛ ክረክብ መሰል ኣለዎ' ማለት እዩ። ሄንሊ፡ ኣብ ሳልሳይ ርብዒ ዓመት 2022 ንደረጃታት ፓስፖርት ኣመልኪቱ ኣብ ዝዘርግሖ ወግዓዊ ሓበሬታኡ፡ 199 ፓስፖርታትን 227 መዕርፎታትን ከም ዝመርመረ ኣፍሊጡ። በዚ መሰረት፡ ፓስፖርታት ሲንጋፖርን ደቡብ ኮርያን ብማዕረ ነጥቢ፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ናይቲ ደረጃ ተቐባልነት ፓስፖርት ዘስፈረ ዝርዝር ተቐሚጦም ኣለው። ዜጋታት እዘን ሃገራት ቀዲሞም ቪዛ ክረኽቡ ከይተገደዱ ናብ 192 ሃገራት ክገሹ ይኽእሉ። ፓስፖርታት ጀርመንን ስጳኛን ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ክስርዑ እንከለው፣ ናይ ፊንላንድ፡ ኢጣልያ ላክዘምበርግን ከኣ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ተቐሚጦም ኣለው። ኦስትሪያ፡ ዴንማርክ፡ ኔዘርላንድስን ስዊድንን፡ ብዘይ ቪዛ ናብ 188 ሃገራት ከግሹ ዝኽእል ተባሂሎም ኣብ ሓምሻይ ደረጃ ተሰሪዖም ኣለው። ፓስፖርታት ብሪጣንያ፡ ኣሜሪካን ኣውስትራልያን ከኣ ብተርታ፡ ብዘይ ቪዛ ናብ 187፡ 186፡ 185 ሃገራት ዘግሹ ተባሂሎም ካብ ሻድሻይ ክሳብ ሻምናይ ዘሎ ደረጃ ክሕዙ እንከለው፡ ናይ ሃንጋሪን ሉትዌኒያን ድማ ኣብ ታሽዓይን ዓስራይን ተደሪጆም ኣለው። ሄንሊ ብዝወጽኦ ሓበሬታ መሰረት፡ ፓስፖርት ኤርትራ ዝሓዙ ገያሾ ብዘይ ቪዛ፡ ወይ’ውን ምስ ኣተው ቪዛ ክረኽቡለን ናብ ዝኽእሉ 44 ሃገራት ክጓዓዙ ይኽእሉ። በዚ መሰረት፡ እዚ ፓስፖርት ካብ ናይ 18 ሃገራት ዝሓሸ ኰይኑ፡ ካብ 112 ኣብ መበል 101 ደረጃ ተሰሪዑ’ሎ። ፓስፖርት ኤርትራ፡ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ንናይ ሶማልያ፡ ሊብያ፡ ሱዳን፡ ዲሞክራሲያዊት ኮንጐል ናይጀርያን ደቡብ ሱዳንን በሊጹ እዩ እዚ ደረጃ’ዚ ሒዙ ዘሎ። ፓስፖርታት ሊቢያ፡ ሰሜን ኮሪያ፡ ኔፓል፡ ፍልስጤም፡ ሶማሊያ፡ የመን፡ ፓኪስታን፡ ሶሪያ፡ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ኣብ መወዳእታ ዝተሰርዐ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ። ብመሰረት ሓበሬታ ሄንሊ፡ ፓስፖርት ኢትዮጵያ ዝሓዙ ገያሾ፡ ቪዛ እንከየድለዮም ወይ ድማ ኣብ ዝኣተውሉ ቪዛ ክረኽቡለን ዝኽእሉ 46 ሃገራት ክጓዓዙ ይኽእሉ። እዚ ፖስፖርት፡ ካብ 112 ፓስፖርትታት፡ ኣብ መበል 100 ዝተሰርዐ ክኸውን እንከሎ፡ ካብ ሸውዓተ ፖስፖርት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሐሸ ከምዝዀነ እቲ ጸብጻብ ትካል ሄንሊ የመልክት። ፓስፖርት ኢትዮጵያ፡ ንናይ ሃገራት ሶማልያ፡ ሊቢያ፡ ሱዳን፡ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ናይጄሪያ፡ ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን በሊጹ እዩ ኣብ መበል 100 ክድረጅ ክኢሉ ዘሎ። ፓስፖርታት ሊቢያ፡ ሰሜን ኮሪያ፡ ኔፓል፡ ፍልስጤም፡ ሶማሊያ፡ የመን፡ ፓኪስታን፡ ሶሪያ፡ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ኣብ መወዳእታ ዝተሰርዐ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ። ባንክ ዓለም፡ ተቐባልነት ፓስፖርት ሓንቲ ሃገር ዝልክዓሉ ሓደ ቐንዲ ረቛሒ፡ ዜጋታት ዝረኽብዎ መጠን እቶት ከምዝኾነ እዩ ዝሕብር። ልዑል ኣታዊ ዘለወን ሃገራት፡ ካብ ድኻታት ሃገራት ብዝሐሸ ብዘይ ቪዛ ናብ ብዙሓት ሃገራት ክጓዓዛ ይኽእላ። ተማራማሪ ሄንሊ ኦመር ዛረፕሊ (ዶ\/ር)፡ “እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ሃገራት ዝያዳ ንሃብታማት ሃገራት ዶባተን ዝኸፍታ እዩ” ይብል። ዛረፕሊ፡ ልዑል ኣታዊ ካብ ዘለወን ሃገራት ዝመጽኡ በጻሕቲ፡ ኣብ ዝኸዱለን ሃገራት ኣብ ቱሪዝም፡ ንግዲን ወፍርን ብዙሕ ገንዘብ ብምፍሳስ፡ ኣብ ቍጠባዊ ዕብየት እታ ትቕበሎም ሃገር እወታዊ ግደ ስለዘበርክቱ እዩ፡ ይብል። ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ካብ ሃብታማት ሃገራት ዝመጽኡ ገያሾ፡ ኣብታ ዝኸድዋ ሃገር ዝፈጥርዎ ማሕበራዊ ቍጠባውን ሰኸም ስለዘየለ ጉዕዞኦም ከምዝቃለል ኦመር ዛረፕሊ ይገልጽ። ትካል ሄንሊ፡ ሓንቲ ሃገር ዘለዋ ኵለመዳያዊ ሰላም ንተቐባልነት ፓስፖርታ ብቐጥታ ከም ዝጸልዎ ይገልጽ። ኣብ ሓንቲ ሃገር፡ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ ዓሌታዊ ግጭት፡ ውዱብ ገበናት ዝኣመሰለሉ ተርእዮታት ዝውቱራት እንተዀይኖም፡ ዜጋታት እታ ሃገር ጕዕዘኦም ድሩት እዩ። ሓያል ማእከላይ መንግስቲ ዘይብለንን፡ ብዙሓት ተመዛበልቲ ዘለዉወንን ሃገራት፡ ዜጋታተትን ናብ ዝገሽዎ ሃገር ቪዛ ክሕተቱ ግድን እዩ። ቍጠባአን ዝለመሰ፡ ድኹም ማእከላይ መንግስቲን ውሽታውያን ተመዛበልቲ ዘለዉወን ከም የመን፡ ሶሪያ፡ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ዝኣመሰላ ሃገራት ድማ ዜጋታተን ኣብ ዝኸዱለን ሃገራት ቪዛ ይሕተቱ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyrgdp32n7jo"} {"headline":"በረራ ዘይተማህረ ተሳፋሪ፡ ነፋሪት ብሰላም ኣዕሊቡ","content":"ማዕከናት ዜና ግዝኣት ፍሎሪዳ፡ ብዛዕባ ሓደ ኣብራሪ ድሕሪ ምሕማሙ ብዘይ ዝዀነ ጸገም ነፋሪት ከዕልብ ዝኽኣለ ተጓዓዚ መንነቱ ንምፍላጥ ይጽዕራ ኣለዋ። እዚ መንነቱ ዘይተገልጸ ተጓዓዚ፡ ምስ ተቘጻጸርቲ በረራ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝገበሮ ናይ ድምጺ ዝርርብ፡ ቅድሚኡ ዝዀነ ዓይነት ልምዲ ምብራር ነፋሪት ከም ዘይብሉ የመልክት። ኣብቲ ዝተቐድሐ ድምጺ፡ \"ነፋሪት ከመይ ከዕርፋን ደው ከብላን ከም ዘለዎ\" ከም ዘይፈልጥ ክዛረብ ይስማዕ። ኣብታ ካብ መሬት 2750 ሜትሮ ርሒቓ ኣብ ኣየር ዝነበረት ነፋሪት ዝነበረ ተጓዓዚ፡ \"ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ኵነታት ገጢሙኒ ኣሎ፥ እቲ ፓይለት ጥዕና የብሉን፡ ሃለዋቱ ከይጥፍአ ኣይተርፍን፡\" ይብል። ሓደስቲ ኣብረርቲ ብምልምማድ ዝፍለጥ ሓደ ተቘጻጻሪ በረራ፡ እቲ ተጓዓዚ ነታ ነፋሪት ተቘጻጺሩ ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ፓልም ቢች ከዕርፋ ከም ዝሓገዞ ተገሊጹ። እዚ ትማሊ ሰሉስ ዘጋጠመ ክስተት ከም ዝዀነ'ውን ማዕከናት ዜና ሓቢረን። እቲ ውልቀሰብ ነታ ነፋሪት ሒዙ ብሰላም ምስ ዓረፈ፡ ምስቲ ዝመርሖ ዝነበረ ተቘጻጻሪ፡ በረኻ ተራኺቡ ከም ዝተሓቛቘፉ ተገሊጹ፤ ንሓድሕዶም ግን ኣስማት ኣይተወሃሃቡን። እቶም ተቘጻጸርቲ በረራ ብመራኸቢ ራድዮ ኣቢሎም ኵነታት እታ ነፋሪት ነቲ ተጓዓዚ ክሓትዎ እንከለው፡ ዝፈልጦ ነገር ከም ዘይብሉን ገምግም ባሕሪ ፍሎሪዳ ጥራይ ይርኣዮ ከም ዘሎን ተዛሪቡ። \"ከመይ ኣቢለ ደው ከም ዘብላ ኣይፈልጥን፣ ዝፈልጦ ነገር የብለይን፣ ሓግዙኒ፡\" ክብል መልእኽቱ ኣሕሊፉ። ሮበርት ሞርጋን ዝተባህለ ተቘጻጻሪ በረራ እዚ ክስተት ከጋጥም እንከሎ ኣብ ዕረፍቲ እዩ ነይሩ፤ ግን መሳርሕቱ ብዛዕባ እቲ ኵነታት ክነግሮ እንከሎ እናተጻደፈ መጺኡ ሓጊዝዎም። ተመኵሮ ልዕሊ 20 ዓመታት ዘለዎ ሞርጋን፡ \"እታ ነፋሪት ካብተን ካልኦት ዝተፈለየት ከም ዝዀነት እፈልጥ'የ። ግን፡ እቲ ተጓዓዚ ከይሰናበድ ሃዲኡ እታ ነፋሪት ከብርራ ክሕግዞ ነይሩኒ። ብራድዮ፡ ብኸመይ ሓይሊ ነክዩ ናብ መሬት ክወርድ ከም ዝኽእል ሓጊዘዮ\" ይብል። በቲ ዝተቐድሐ ድምጺ'ውን፡ ሞርጋን እቲ ውልቀሰብ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ዝህቦ ዝነበረ መምርሒታት ይስማዕ። ድሕሪኡ፡ እታ ነፋሪት ብሰላም ከም ዝዓረፈት ክነግሮ እንከሎ ንምእማን ተጸጊሙ ምንባሩ ንሲኤንኤን ተዛሪቡ። እታ ነፋሪት ኣብ መሬት ምስ ዓለበት'ውን ክልቲኦም ተራኺቦም ብሓደ ተሳኢሎም። እንተኾነ፡ ሞርጋን በቲ ኵነታት ኣዝዩ ተገሪሙ ስለ ዝነበረ ሽሙ ከም ዘይሰምዖ ተዛሪቡ። \"ኣብ ጭንቂ ስለ ዝነበርኩ ብሰላም ምስ ረኸብክዎ፡ ንብዓት መጺኡኒ። ብጣዕሚ ስምዒታዊ ህሞት'ዩ ነይሩ፤ ንሱ'ውን ናብታ ነፍሰ ጾር ዝኾነት በዓልቲ ቤቱ ክኸይድ ኣለኒ ኢሉ። ኣነ ስርሐይ'የ ዝሰርሕ ነይረ፤ ንሱ ግን ጀግና እዩ፡\" ይብል። ምምሕዳር መጓዓዝያ ኣየር ኣመሪካ ብወገኑ፡ እታ ካብ ዝዀነ ዓይነት ሓደጋ ዝተረፈት ነፋሪት ናይ ውልቂ ከም ዝኾነትን ዘተሓሳስብ ጉድኣት ከም ዘይበጽሓን ገሊጹ። ነታ ነፋሪት እናብረረ እንከሎ ጥዕናዊ ጸገም ዘጋጠሞ ካፒተን ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስደን፡ እንተዀነ፡ ስሙን ዘለወሉ ኩነታትን ዝምልከት ግን ብወግዒ ዝተባህለ ነገር የለን።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61418661"} {"headline":"ሎሚ ሰንበት ጥራይ ልዕሊ 1500 በረራታት ብሰንኪ ስግኣት ኮቪድ ተሰሪዞም","content":"ንሎሚ ሰንበት ክካየዱ ትልሚ ተታሒዝሎም ዝነበሩ ልዕሊ 1500 በረራታት ምስራዞም ስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ ንበዓል ዝገሹ ሰባት ምጭንናቕ ከምዝፈጠረ ተገሊጹ። ‘ፍላይትስ ኣዌር ዳታ ትራኪንግ’ ዝተብሃለ ኣብ በረራታት ኣትኲሩ ዝሰርሕ ትካል ከምዝበሎ፡ ኣብ ድሮ፣ ኣብ መዓልቲ ልደትን ጽባሒትኡን ብሓፈሻ ዛጊድ ልዕሊ 5900 በራራት ብብርኪ ዓለም ተሰሪዞም ኣለዉ። መንገድታት ኣየር ቻይናን ኣመሪካን በቲ ኩነታት ኣዝየን ካብ ዝተጸልዋ እየን። ጽባሕ ድማ እቲ ናይ ምስራዝ በረራ ክቕጽል ከምዝኽእል ይግምት። ኩባንያታት ኣየር መገዲታት ከምዝብልዎ፡ እቲ በረራረታት ብሰንኪ መልከፍቲ ኦሚክሮን ዋሕዲ ሰራሕተኛታት ኣጋጢመዎም ኣሎ። ዝበዝሕ ምስራዝ በረራራት ምስዚ ብቐጥታ ዝተኣሰሳር ከምዝኾነ ዝገልጹ እዞም ኩባንያታት፡ መብዛሕቲኦም ሰራሕተኛታቶም ብኮቪድ ተለኺፎም ወይ ድማ ንባዕሎም ወሺቦም ይርከቡ። ተመራመርቲ ኣብ ናይ መጀመርታ መጽናዕቶም እቲ ሓድሽ ዓሌት ኣዝዩ ሓደገኛ ከምዘይኾነ ገሊጾም እንተነበሩ’ኳ፡ ናህሪ ለብዒ እቲ ሕማም ግን ዓብዪ ዘሻቕል ኩነታት ኣስዒቡ ይርከብ። ‘ፍላይትስ ኣዌር’፡ እቲ ዝተጠቕሰ ትካል ተቖጻጻሪ በረራታታ ከምዝበሎ፡ ካብን ናብን ኣመሪካ ዝግበሩ ጥራይ ልዕሊ 450 በራራረታት ተሰሪዞም ኣለዉ። ብፍላይ ዴልታ፣ ዩናይትድን ጄትብሉን ኣዝዮም ካብ ዝተጸልዉ መገዲ ኣየራት እዮም ተባሂሉ። መንገዲ ኣየር ዩናይድ፡ በረራታቱ በቲ መልከፍቲ እቲ ሓድሽ ዓሌት ተፈልዩ ከምዘሎ ዘፍለጠ ኾይኑ፡ ዓማዊሉ ዝኾነ ምልክታት እንተርእዮም ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ቅድሚ ምምጸኦም ኣብኡ ክጸንሑ እናደወለ የፍልጥ ነይሩ ተባሂሉ። ከምኡ ድማ ስራሕቲ በረርኡ፡ ብሰንኪ መልከፍቲ ሰራሕተኛታቱ ተሰናኺሉ ከምዘሎ ወሲኹ ሓቢሩ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59794329"} {"headline":"ነፈርቲ ካብ ሰማይ ቀልቀል ይኽዕዋ ድየን: ማዕረ ኽንደይ’ከ እቲ ቐልቀል ክፈሰና ይኽእል?","content":"ኣይረድ እዩ ግን ከኣ ዝወረዶ ሰብ ኣሎ። ቀልቀል ሰብ እትረፍ ካብ ሰማይ ክፈሰካ ካብ ሽንቲ ቤት ክሽትተካ ዘጸይን እዩ። ኣብ ከባቢ ሂትሮ ዝነብር ሓደ ኢንግሊዛዊ ግን ንዓይ ኣጋጢሙኒ ይብል ኣሎ። እቲ ጉዳይ ግን ብኸመይ እዩ ኮይኑ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ዓዲ እንግሊዝ ዝነብር ሓደ ሰብኣይ፡ ኣብ ኣታኽልቱ እናተዘናገዐ ካብ ሓንቲ ትሒታ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት ቀልቀል ሰባት ፈሲሱዎ። ማዕረ ክንደይ ሓደገኛ እዩ እቲ ኩነት? ንሕና’ኸ ማዕረ ክንደይ ግዳያት ክንከውን ንኽእል? መብዛሕትኡ ግዜ እንግሊዛውያን ብዛዕባ ኵነታት ኣየር ይግደሱ እዮም። እንተኾነ ሓደ ብሸነኽ ምዕራብ ለንደን ኣብ እትርከብ በርክሼር ዝቕመጥ ሰብኣይ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ሰማያት ዘተሓሳስቦ ነገር ኣለዎ። እቲ ፍጻሜ ኣብ መፋርቕ ሓምለ እዩ ኣጋጢሙ። እንተዀነ ቤት ምኽሪ ናይቲ ከባቢ ተኣኪቡ ክሳብ ዝዝቲ እቲ ዛንታ ከይተነግረ ጸኒሑ። ኣባል ቤት ምኽሪ ካረን ደቪስ፡ ኣብቲ ሮያል ዊንድሶርን ማይደንፕን ዘዳለዎ ናይ ኣቬሺን ፎረም፡ ንሓደ ካብ ወከልታ ኣብ ጀርዲኑን ነብሱን ዘጋጠሞ \"ዜፍርህን ዘሰምብድን\" ፍጻመ ተዛሪባ። ብዛዕባ እቲ ካብ ሰማይ ዝፈሰሶ ቀልቀል ከኣ ምስ ሕጋውያን ኣካላት ከም እተራኸበት እውን ሓቢራ። እዚ ፍጻሜ እዚ ብኸመይ እዩ ኣጋጢሙ? ካብ ሰማይ ቀልቀል ከይፈሰና ኩላትና ንሰማይ ገጽና ቁሊሕ ክንብል ከድልየና ድዩ? እቲ ሰብኣይ ኣብታ ብንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዝውነን ዓቢ ጥንታዊ ህንጻ ዘለዋ ስምይቲ ከተማ ዊንድሶር እዩ ዝነብር። እታ ከተማ ነተን ንለንደን ዘገልግላ ሓሙሽተ ዓበይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ሂትሮ ጎረቤተን እያ። እቲ ቀልቀል ዝፈሰሶ ሚስተር ደቪስ፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓመት፡ ካብ ነፈርቲ ደረቕ ቀልቀል ከምዝፈስስ ይፈልጥ ነይረ እዩ። እቲ ንዕኡ ዘጋጥሞ ግን ናይ ብሓቂ ረሳሕን ዘፈንፍንን። “ ኣብቲ እዋን ኣብ ጀርዲኑ እዩ ነይሩ፤ ስለዚ ናይ ብሓቂ ዘሰምብድ ተመኩሮ እዩ ኣጋጢሙዎ። ተስፋ እገብር ንመጻኢ ኣብ ልዕሊ ማንም ነባሪ እዚ ከባቢና ከይድገም” ኢላ። ጆን ባውደን እተባህለ ካልእ ኣባል ባይቶ ከኣ “ እዚ ሓደ ካብ ቢልዮን ዘጋጥም ዕድል እዩ” ክብል ገሊጹዎ። “ ኣብ ምውቕ ኩነታት ኣየር እናተዛነኻ ካብ ሰማይ ብዝፈሰሰ ጥሉል ቀልቀል ክትበላሾ ዘሕዝን እዩ” ኢሉ። ናይ ነፋሪት ዓይኒ ምድሪ ኣብ ፍሉይ ታንከራት እዩ ዝኽዘን፡ እተን ነፈርቲ ኣብ መሬት ምስ ዓለባ ከኣ ይጓሓፍን ይጸርን። ይኹን እምበር ሰበ-ስልጣን ዓለምለኸ በረራ፡ ዓይኒ ምድሪ ነፈርቲ ኣብ ኣየር እውን ላሕኲ ክፍጠር ከም ዝኽእል ይእመኑ እዮም ። ሬድዮ ቢ.ቢ.ሲ በርክሼር ንኪኢላ ስነ-በረራ ጁልያን ብራይ፡ እቲ ንሚስተር ደቪስ ካብ ሰማይ ዝፈሰሶ ቀልቀል ከመይ ኢሉ ክኸውን ከምዝኸኣለ ሓቲቶሞ። \"ዘመናውያን ነፈርቲ ብንፋስ ዝምጸ (ቫኪዩም) ዓይኒ ምድሪ ስለዘለወን ኣዝየን ውሑሳት እየን። እንተኾነ ኣብ መንጎ ‘ቲ መለጋግቦን መዕቆር እቲ ቀልቀል ታንከር ዘሎ መካኒካዊ ጸገም’ዩ እቲ ሽግር” ይብል ብራይ። እንተዀነ ኩሉ ነገር 100% ኣይኮነን። እታ ነፋሪት ብእተፈላለየ ደረጃ ጸቕጢ ስለእትሓልፍ ኣብ ገሊኡ ቁሩብ ላሕኲ ክፈጥር ይኽእል እዩ። \"እታ ነፋሪት ናብ ምድሪ ክትቀርብ እንከላ ካብ ርሑቕ ብራኸ ስለእትቆልቁል እቲ ጸቕጢ ይቕየር እዩ - ስለዝኾነ ከኣ’ዩ እቲ ዘሕዝን ፍጻሜ ምትውሻሕ ቀልቀል ተኸሲቱ። \"እዚ ዘሕዝን ተርእዮ ሳሕቲ እዩ ዘጋጥም። ቅድም ግን ብዙሕ ግዜ የጋጥም ነይሩ። ሽዑ ነቲ ሽንትን ቀልቀል ሰብን ካብ ብከላ ዝከላኸል ሰመያዊ ጸረ ብከላን ፈሳሲ ይድፈኦ ስለዝነበረ፡ ካብ ሰማይ ክወርድ እንከሎ፡ ሰባት “ሰማያዊ በረድ” ኢሎም ይጽውዑዎ ነይሮም \"ይብል። ሓደ ካብቶም ቀልቀል ሰባት ካብ ነፋሪት ከም በረድ ክወርድ ዝረኣዩ ተወላዲ ኢብረ እትበሃል ዓዲ ሚስተር ፓል ተመክሮኡ ንሬድዮ ቤርክሻየር ገሊጹ ኣሎ። ፖል፡ \"ካብ ሆስፒታል ልእልቲ ማርጋሬት እናወጻእኩ፡ ሓንቲ ናይ ካናዳ ነፋሪት ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ሄትሮ ክትዓልብ ኣብ ዝቐረበትሉ እዋን ትሒታ ክትወርድ እንከላ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ወይ ሰለስተ ዝኸውን ጨናፍር ኣግራብ ክፈስስ ርእየ እየ\" ይብል። ፓል ካብቲ ሓደጋ ኣምሊጡ ብህይወት ምንባሩ ንሱን ደቂ በርክሻየር ብጸቱን ከም ዕድለኛ እዮም ዝቖጽሩዎ። \"እዚ ሕጂ ወርቃዊ ዝመስል ቀልቀል ዝፈሰሶ ሰብኣይ ናይ ብሓቂ ዕድለኛ እዩ። እቲ ሰማያዊ በረድ ኢልና እንጽውዖ ነገር ፈሲሱዎ እንተ ዝነብር ብርግጽ ምቐተሎ ነይሩ” ይብሉ ክኢላታት። ናይ ብሪጣንያ ሲቪል ኣቭየሽን፡ ብ2016 ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ክሊ ኣየር ዓባይ ብሪጣንያ ዝግበር 2.5 ሚልዮን ዓመታዊ በረራታት፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣስታት 25 ምፍሳስ \"ሰማያዊ በረድ\" ከም ዘጋጥም ብምግላጽ ከምኡ ዓይነት ተርእዮ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ዓለም ከም ዘጋጥም ሓቢሩ። ካብ ኣመሪካ ግዝኣት ፐንሲልቫንያ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓደ እዋን ኣብ ምዝንጋዕ ፓርቲ ኣብ ዝነበሩ ሰባት ባህ ዘየብል ፈሳሲ ቀልቀል ፈሳሲ ከም ዘጋጠመ ሓቢሮም። ጆ ካምብራይ ዝተባህለ ካብ ሌቪታውን ንሓንቲ መደበር ተለቪዥን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ በዓለ ልደት 16 ዓመት ጓሉ ካብ ሰማይ ብዝፈሰሰ ደስ ዘየብል ሽታ ዘለዎ ፈሳሲ ከም ዝተበላሸወን ግን ዕድል ገይሮም እቲ ተተኺሉ ዝነበረ ዳሳት ንመብዛሕትኦም እቶም ዕዱማት ከምዝተኸላኸለሎም ገሊጹ። ኣብ ጥሪ 2018 ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ ግዝኣት ኣብ እትርከብ ሃራያና እትበሃል ሓንቲ ቊሸት ናብ በረድ ዝተቐየረ ቀልቀል ሰባት ካብ ኣውሮፕላን ናብ ምድሪ ወዲቑ ። እቲ ፋዚልፑር ባድሊ ኣብ እትበሃል ቚሸት ዝወደቐ ካብ 10-12 ኪሎ ዝምዘን በረድ ሓደ ዓቢ \"ዓብዪ ጕድጓድ\" ፈጢሩ። ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ገሊኦም ነበርቲ እታ ቚሸት፡ ካብቲ ኣብ ምድሪ ዝወደቐ በረድ መሰል ደረቕ ቀልቀል ንኣባይቶም ከምዝወሰዱ ምስምዑ ሓቢሩ። ኣብ ታሕሳስ 2015፡ ሓንቲ ጓል 60 ዓመት ሰበይቲ ክንዲ ሓደ ኵዑሶ እግሪ ዝኸውን ሰማያዊ በረድ ካብ ሰማይ ወሪዱ ከም ዝሃረማ ኢንድያን ታይምስ ሓቢራ። ኣብ ህንዲ ቀልቀል አዕዋፍ ወይ ርግቢ እንተዓሊቡካ ከም ጽቡቕ ዕድል እዩ ዝቑጸር። እቲ ፈለማ ኣብ ዚንጎ ዓሊቡ ዳሕራይ ተፈርኪሹ ነታ ሰበይቲ መንኩባ ዝሃረማ ከቢድ ዝበረደ ቀልቀል ብምሉኡ ኣብ ነብሳ እንተዝዓልብ ፈጺማ ኣይምደሓነት ነይራ። ሚስተር ብራይ፡ ነቲ ኣብ ከተማ ዊንድሶር ሓደጋ ቀልቀል ዘጋጠሞ ሰብን ንዓና ንኹላትናን ዝኸውንን ብስራት ኣለዎ። ግን ኩሉ ሳዕ ልዕሌና ናብ ዘሎ ሰማያት ቑሊሕ ምሊሕ ክንብልን ክንጭነቕን የብልናን። ሰበ ስልጣን ሲቨል ኣቭየሺን፡ ነፈርቲ ናብ መዓርፎአን ኣብ ዝቐርባሉ እዋን ክገብርኦ ዘለወን ነገር ይቕይርዎ ኣለዉ ። እተን ነፈርቲ፡ ነቲ ኣብ ሰማይ እተዋህለለ ቀልቀልን ሽንትን ኣብ ክንዲ ኣብ ውሱን ቦታ ዘፍስሰሶ ኣብ ሰማይ ኣብ ዝሰፍሐ ቦታ ከምዝንጸግ ዝገብር ሲይስተም የተኣታትዉ ኣለው። እዚ ማለት ከኣ እቲ ሓደጋ ኪጸብብ ግን ከኣ ኣብ ዝሰፍሐ ቦታ ክመቓራሕ ክሕግዝ እዩ ይብል ብራይ። በዚ ምኽንያት ኣብቶም ሕጂ ጎረባብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዘለዉ ሰባት እቲ ሓደጋ ክንኪ እንከሎ ኣብ ገለ እቶም ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ቍሩብ ርሒቖም ዝነብሩ ግና ፡ ናብ ሓደገኛ ዞባ ይኣትው ኣለው ማለት እዩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ሚስተር ብረይ እቲ ኣብ ዊንድሶር ሓደጋ ዘጋጠሞ ሰብ ጉብእ ካሕሳ ክሓትት ከም ዝኽእል ሓቢሩ። ሚስ ደቪስ፡ (እቲ ሓደጋ ዘጋጠሞ ሰብ) ምስታ መገዲ ኣየር ምስ ተራኸበ ፈለማ ነፋሪቶም ብእኡ ከምዘይሓለፈት እኳ እንተገለጹ ዳሕራይ ግን ብመርትዖ ከምዝተኣመኑ ሚስተር ዴቪድሰን ገሊጹ። ኣብ ኣኼባ ባይቶ ምስክርነቱ ዝሃበ ተቐማጢ እቲ ቦታ ኣንድሪው ሆል፡ እቲ ግዳይ ግቡእ ካሕሳ ክሓትት ቅኑዕ ምዃኑ ገሊጹ። \"ትካላት ማይ፡ ናብ ሩባታት ረሳሕ ፈሳሲ ምስ ዝደፍኣ፡ ሚልዮናት ገንዘብ እየን ዝቕጽዓ፣ ሓንቲ ነፋሪት ናብ ርእሲ ሰባት ቀልቀል ምስ እትዅዑ ግን ስለምንታይ ካሕሳ ዘይትኸፍል” ክብል ይሓትት። እንተዀነ፡ ሚስተር ደቪስ እቲ ከባቢ ተወሳኺ መድሕን ( ኢንሹራንስ) ከምዘይከፍል ይዛረብ። \"ንሓደ ክልተ ሓደጋ ዘጋጥሞም ክብል ንመድሕን ብዙሕ ገንዘብ ክኽፈል ኣይግባእ” ይብል። ቢቢሲ፡ ሓሳብን ርእይቶን በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ዓዲ-እንግሊዝ ክሰምዕ እኳ እንተሓተተ ንሓያሎ መዓልታት መልሲ ኣይረኸበን። ካልእ ብዛዕባ እዚ ሕማቕ ነገር እዚ ክዛረብ ዘይደሊ ምንጪ ተመሳሳሊ ተሞኩሮ ኣለዎ። ይኹን እምበር ኣብ ጋዜጣታት ታብሎይድ ብሪጣንያ ተዛሪቡ ነቲ ነገር ከሰራስሮ ኣይደለየን። ብሪጣንያውያን ብዛዕባ እቲ ካብ ሰማይ ዝፈስስ ነገራት ናይ ምምይያጥ ድሌቶም ድሩት እዩ ዝመስል ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59020417"} {"headline":"በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኢትዮጵያ ኣብ ክሊ ኣየር እታ ሃገር ናይ ድሕነት ስግኣት ከምዘየሎ ገሊጹ","content":"በዓልመዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኢትዮጵያ ኣብ ክሊ ኣየር እታ ሃገር ዝግበር ዝኾነ ዓይነት በረራ ውሑስን ድሕነቱ ዝተሓለወን ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ። እቲ በዓል ስልጣን ነዚ መግለጺ ዝሃበ፡ ምምሕዳር ኣቭየሽን ኣመሪካ (ኤፍኤኤ) ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መዘኻኸሪ “ነፈርቲ ብቐጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ኣብ መሬት ወይ’ውን ካብ መሬት ናብ ኣየር ንዝትኮሱ ኣጽዋር ክቃልዑ ይኽእሉ እዮም” ምባሉ ስዒቡ እዩ። እቲ በዓልስልጣን ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከብ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ወሲኽካ ኣብ ዝኾነ ክፋል እታ ሃገር ንዝግበሩ በረራታት ብምልኦም ዘስግእ ከምዘየሎን ድሕነቶም ዝተሓለወን እዩ ኢሉ። ወሲኹ’ውን ኣብ ክሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንዝግበር በረራ ብዝምልከት ዝወጽአ መጠንቀቕታን ዝተዘርግሐ ጸብጻባትን “መሰረት ዘይብሉን ምስቲ ሓቂ ፍጹም ዝጻረር እዩ” ኢሉ። እቲ በዓልስልጣን፡ ድሕነት ክሊ ኣየርን መዕርፎ ነፈርትን ውሑስን ዘተኣማምንን ምዃኑ ንምርግጋጽ ኩሉ ዓይነት ስጉምቲ ይወስድ ምህላው ንተጠቀምቲ ከረጋግጽ ከምዝፈቱ ብምግላጽ ነዚ’ውን ኣድላዪ ዓለምለኻዊ መምርሒታት ተግባራዊ ኣብ ምግባር ከምዝርከብ ሓቢሩ። ምምሕዳር ኣቭየሽን ኣመሪካ ኣብቲ ዘውጽኦ መዘኻኸሪ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ብዝቕጽል ዘሎ ኲናት ብዝተኣሳሰር ንናይ ኣየር በረራ ስግኣት ከምዘሎ ብምጥቃስ፤ ብፍላይ ኣብ እዋን ምዕላብን ምብጋስን ሓዊሱ፡ ትሕት ብዝበለ ብራኸ ዝበሩ ነፈርቲ ጥንቃቐ ክገብሩ መኺሩ። ኣዲስ ኣበባ ዋና ማእከል ናይቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ መገዲ ኣየር ካብ ምዃና ብተወሳኺ፡ ብዙሓት ዓለምለኻዊ መገዲ ኣየራት ንኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣዲስ ኣበባ ይጥቀሙ። ኤፍኤኤ ዘውጽኦ መዘኻኸሪ ብዛዕባ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ዝተኸሰተ ነገር ኮነ ስግኣት ብዛዕባ ምህላው ኣይገለጸን፤ እንተኾነ ግና እቲ ኲናት እናበኣሰ እንተመጺኡ ጥንቃቐ ክግበር መኺሩ። በዓልስልጣን ኣቭየሽን ኢትዮጵያ ግና ኣብ መላእ እታ ሃገር ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ መዕርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ንመጉዓዝያ ኣየር ዘስግእ ኩነተት ከምዘየሎ ሓቢሩ። ኣመሪካ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት እንዳገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ዜጋታታ ካብታ ሃገር ክወጹ ብተደጋጋሚ ኣተሓሳሲባ እያ። መንግስቲ ግና ከምዚ ዓይነት መጠንቀቕታ ንምሃብ ዝድርኽ ናይ ድሕነት ስግኣት ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ከምዘየሎ ብምጥቃስ ብተደጋጋሚ ክነጽጎ ጸኒሑ እዩ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59357947"} {"headline":"ቻይና፡ 132 ሰባት ሒዛ ትጉዓዝ ዝነበረት ቦይንግ ወዲቓ","content":"ኣብ ቻይና 132 ሰባት ኣሳፊራ ትጉዓዝ ዝነበረት ቦይንግ 737 ከም ዝወደቐት ማዕኸን ዜና ቻይና ጸብጺቡ። እታ ዋንነታ ናይ መገዲ ኣየር ኢስተርን ዝኾነት ነፋሪት ኣብ ግዝኣት ጉዋንግዢ እያ ወዲቓ። ክሳብ ሕጂ ብሰንኪ እዚ ሓደጋ ቑጽሪ ዝሞቱ ሰባት ኣይተፈልጠን። እቲ ሓደጋ ኣብቲ እምባታት ዝበዝሖ ዞባ ከም ዘጋጠመን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ጫካ ሓደጋ ሓዊ ከም ዝተላዕለን ተገሊጹ። ቑጽሪ በረራ MU5735 ናብ ግዋንግዦ ትጉዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ምዃና ተሓቢሩ። እታ ነፋሪት ብኣቆጻጽራ ሰዓት እታ ሃገር ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ካብ ኩንሚንግ ተበጊሳ ናብ ግዋንግዦ ትጉዓዝ ነይራ ተባሂሉ። ጉዋንግዢ ኣብ ሰሜናዊ ዞባ እትርከብ ኮይና ኣብ ደቡብ ምብራቕ እታ ሃገር ኣገዳሲት ከተማ እያ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰብ ሞያ ኣድሕን ህይወት ናብቲ ከባቢ ከም ዝተዋፈሩ ማዕኸን ዜና ሲሲቪቪ ጸብጺቡ። መስመር በረራ ነፈርቲ ዝከታተል መርበብ ሓበሬታ ፍላይትራዳር23 ናይ መወዳእታ ሓበሬታ እታ ነፋሪት ቀትሪ ሰዓት 02፡22 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] 3225 ጫማ ብራኸ ትበርር ኣብ ዝነበረትሉ ጥራይ ዝተመዝገበ ምዃኑ ይሕብር።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60818469"} {"headline":"ኮቪድ 19፡ ን20 ኣዋርሕ ተዓጽዩ ዝጸንሐ ዶባት ኣመሪካ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንኽቱባት ክፉት ክኸውን’ዩ","content":"ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ እዋን መሪሕነት ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ተራምፕ ጀሚሩ፡ ን20 ኣዋርሕ ተዓጽዩ ዝጸንሐ ዶባት ኣመሪካ ካብ ሎሚ ሰኑይ ጀሚሩ ንኽልተ ግዜ ዝተኸተቡ በጻሕቲ ክኽፈት ምዃኑ ተገሊጹ። በቲ ኣብ እዋን መሪሕነት ዶናልድ ትራምፕ ዝተነበረ እግዳ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳን ዝርከብኣን 30 ሃገራት በቲ ሕጊ ተጸልየን እየን። ካብ ሎሚ ጀሚሮም ናብ ኣመሪካ ዝገሹ ሰባት ክበዝሑ ከምዝኽእሉ ብኣጋ ተገሚቱ ኣሎ። ላዕለዋይ ሓላፊ ኣብ ፓሪስ ዝመደበሩ ጆሰት ቮየጅስ ዝተብሃለ ኤጄንሲ መገሻታት ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ \"ኣዝዩ ደስ ዘብል ውሳነ'ዩ\" ድሕሪ ምባል፡ እቲ ውሳነ ምስ ተመሓላለፈ ኣብ ስርሖም ጻዕቂ ክገሹ ዝደልዩ ሰባት ከምዘጋጠሞም ብሓጎስ ገሊጹ። ኣመሪካ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ካብ መጀመርታ 2020 ጀሚራ ካብ ቻይና ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ንዝደልዩ ገያሾ ከምዝኣገደት ዝዝከር ከይኑ፡ እቲ እገዳ ቀስ እናበለ ናብ ካልኦት ሃገራት'ውን ቀጺሉ። እቲ እገዳ ካብ ብሪጣንያ፣ ሃገራት ኣውሮጳ፣ ቻይና፣ ህንዲ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኢራን፣ ብራዚልን ካልኦት ሃገራትን ተበጊሶም ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ዝደልዩ ዘይኣመሪካውያን ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ዝኽልክል'ዩ። ብመሰረት ኣመሪካ ኣውጺኣቶ ዘላ ሕጊ፡ ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ዝደልዩ ገያሾ፡ ቅድሚ መገሸኦም ከምዝተኸተቡ ዘረጋግጽ ወረቐት ክሕዙ፡ ወይ'ውን ቅድሚ መገሸኦም ኣብ ዝነበራ 72 ሰዓታት ተመርሚሮም ካብ መልከፍቲ ኮቪድ ነጻ ምዃኖም ዘረጋግጽ ወግዓዊ ወረቐት ክሕዙ ክግደዱ እዮም። ጓል 63 ብሪጣንያዊት ኣሊዶን ሄንሪ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃበቶ ቃል \"ኣዝዩ ከቢድ እዋን'ዩ ነይሩ፡ ሕጂ ግን ናብ ኣመሪካ'ሞ ክኸይድ ነቲ ዝናፈቕክዎ ወደይ ክርእዮ\" ኢላ። ብዘይካ'ዚ ፡ ኣመሪካ ነቲ ምስ ካናዳን ሜክሲኮን ዘራኽባ ዶባት'ውን ንዝተኸተቡ ሰባት ክፉት ገይራቶ ኣላ። ነዚ ሓዲሽ ሕጊ ተጠቂሞም ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ዝደልዩ ኣሽሓት ስደተኛታት ድሮ ኣብ ዶብ ሜክሲኮን ኣመሪካን ክተኣኻኸቡ ጀሚሮም ኣለዉ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59188446"} {"headline":"ስድራ ግዳያት ነፋሪት ቦይንግ ኣንጻር መንግስቲ ኣመሪካ ሕጋዊ ጥርዓን ኣቕሪቦም","content":"ስድራ ግዳያት ሓደጋ ነፋሪት ቦይንግ ማክስ 737 ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣመሪካ ሕጋዊ ጥርዓን ኣቕሪቦም። ንሳቶም ኣመሪካ ቦይንግ ንርእሱ ካብ ክሲ ገበን ንምክልኻል ውሕስና ንክረክብ ዘኽእሎ ምስ ናይ ዘይምኽሳስ ስምምዕ ዝመሳሰል ሰነድ ብሚስጢር ኣዳሊያ ኢሎም ይኸሱ። እዚ 'Deferred Prosecution Agreement' (DPA) ዝብሃል ኮይኑ ዓቃቢ ሕጊ ተኸሳሲ ዝተወሰኑ ረቛሒታት ንምምላእ ክሰማማዕ እንከሎ ዓቃቢ ሕጊ ምሕረት ንክህቦ ዝሰማምዐሉ ኣብ ፍቓድ ዝተሞርኮሰ ኣማራጺ'ዩ። ኣብ መጋቢት 2019 ዓ.ም [አቆጻጽራ ኤውሮጳ] ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነት ቑጽሪ በረራ ET302 ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተበገሰት ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ደቓይቕ ሓደጋ ምውዳቕ ከም ዘጋጠማ ይዝከር። እዚ ምስቲ ተመሳሳሊ ሓደጋ ዘጋጠማ ነፋሪት መገዲ ኣየር ማሊዢያ ዝኾነት ማክስ 737 ተደሚሩ ካልኣይ ሓደጋ እዩ። ድሒሩ ብዝተኻየደ ምጽራይ ኣብ ክልቲኡ ሓደጋታት ኣብ ናይ በረራ መቆጻጸሪ 'ሶፍትዌር' ዘጋጠመ ጌጋ፡ ምኽንያት እቲ ሓደጋ ምዃኑ ክግለጽ እንከሎ ብጠቕላላ 346 ሰባት ሞይቶም። ክሳብ ሕጂ ምስቲ ሓደጋ ብዝተሓሓዝ ላዕለዋይ ፓይለት ቴክኒክ ዝነበረ ማርክ ፎርክነር ዝተባሃለ ሓደ ሰብ ጥራይ'ዩ ክሲ ገበን ቐሪብሉ ዘሎ። ንሱ ኮነ ኢሉ ብዛዕባ ናይቲ መቆጻጸሪ በረራ ሶፍትዌር ሓበሬታ ንምሕባእ ንምምሕዳር ኣቪየሽን ኣመሪካ ኣታሊሉ ዝብል ክሲ ቐሪብሉ ኣሎ። እቶም ስድራ ግዳያት እቲ ሓደጋ ነፋሪት ናብ ቤት ፍርዲ ቴክሳስ ኣብ ዘቕረብዎ ጥርዓን ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኩባኒያ ቦይንግ ዝካየድ መርመራ ገበን ምህላው ሓቢኡ ክብሉ ይኸሱ። ብተወሳኺ እቲ ምጽራይ ንምፍታሕ ምስ ቦይንግ ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን ንስድራ ግዳያት ነፋሪት ET302 ከምዚ ዓይነት መርመራ ብዛዕባ ምህላው ክሒዱ ዝብል ጥርዓን ኣቕሪቦም ኣለው። ኣብ ወርሒ ጥሪ 2021 ሓድሽ ምምሕዳር ኣመሪካ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምጽኡ ኣብ ዝነበራ መዓልታት''ዩ እቲ ቦይንድ ንርእሱ ካብ ክሲ ገበን ንምክልኻል ውሕስና ዝህቦ ስምምዕ [DPA] ወግዓዊ ኮይኑ። ቦይንግ ድማ 2.5 ቢልዮን ዶላር ካሕሳን መቕጻዕትን ክኸፍል ተሰማሚዑ። ኣብቲ እዋን ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ኣመሪካ \"ሰራሕተኛታት ቦይንግ ኣሰራርሓ ማክስ 737 ዝምልከት ንምምሕዳር ኣቪየሽን ፌደራል ሓበሬታ ኣታሊሎም ንምሕባር ብምፍታን ናይ ከስቢ መገዲ መሪጾም\" ኢሉ ነይሩ። ጠበቓታት ስድራ ግዳያት ኣብቲ ስምምዕ ናይ ምድርዳር ሓላፍነት ዘለዎ ጠበቓ ሕጊ እቲ ቤት ጽሕፈት ንቦይንግ ናብ ዝውክል ናይ ሕጊ ትካል ከም ዝተጸንበረ ይገልጹ። ስለ ዝኾነ ድማ ቤት ፍርዲ ናይ ቦይንግ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ንክስረዝ ሓቲቶም። ቦይንግ ርኢይቶ ክህብ ተሓቲቱ ኣይመለሰን።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59694286"} {"headline":"ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኮምቦልቻ ተቛሪፁ ዝነበረ በረራ ከምዝጅምር ተገሊፁ","content":"መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኮምቦልቻ\/ደሴ ተቛሪፁ ዝነበረ በረራ ኣየር፡ ካብ 27 ታሕሳስ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ። እቲ መገዲ ኣየር ካብቲ ዝተፀርሐ ዕለት ጀሚሩ፡ በብመዓልቱ በረራታት ከምዝህልዉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሓቢሩ። ከተማታት ደቡብ ወሎ ዝኾና ደሴን ኮምቦልቻን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓይልታት ትግራይ ምውዓለን ስዒቡ’ዩ፡ እቲ መገዲ ኣየር ናብ ኮምቦልቻ ዝገብሮን ንኽልቲአን ከተማታት ዘገልግል በረራታት ከቋርጽ ተገዲዱ ጸኒሑ። እቲ መገዲ ኣየር ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ኮምቦልቻ ዝገብሮ መዓልታዊ በረራ ንኣስታት ክልተ ወርሒ ኣቋሪፁ ኔሩ። ካብ ኮምቦልቻ ብተወሳኺ ናብ ከተማ ላሊበላ ንኣዋርሕ ኣቋሪፅዎ ዝነበረ በረራ’ውን ካብ ትማሊ ሰኑይ 15 ታሕሳስ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ጀሚሩ በረራ ከምዝጀመረ ገሊፁ። ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝነበራ ከተማታት መብራህቲ፣ ኣገልግሎት ማይን ስልክን ተቛሪፁ ከምዝነበረ ዝዝረብ እንትኾን፡ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ነተን ከተማታት ምስ ተቖፃፀሩ እቶም ኣገልግሎታት ከምዝተመለሱ ነበርቲ ይገልፁ። እቶም ነበርቲ፡ ኣብ ብዙሓት ከባብታት ክልላት ኣምሓራ ተቛሪፆም ዝነበሩ ኣገልግሎት ኢንተርነትን ባንክን፡ ኣብ ገለ ከባብታት ድማ መጓዓዝያ ከምዝተመለሱ ሓቢሮም። ኣብያተ ፅሕፈት መንግስትን ኣብያተ ትምህርትን’ውን ከምዝተኸፈቱ ተገሊፁ። ብሰንኪ ኵናትን ገደብ መጓዓዝያን ወሲኹ ዝነበረ ዋጋ ቀረብ ሃለኽቲ ሸቐጣት’ውን ብውሱን መልክዑ ከምዝነከየ ነበርቲ ተዛሪቦም። እንተኾነ፡ ሕዚ’ውን ኣብ ከተማ ሰቖጣን ከባቢኡን ዝበሉ ገለ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ኣገልግሎት ማይን መብራህትን ከምዘየለ እቶም ነበርቲ ይዛረቡ። ብሰንኪ እቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣቑፂሩ ዘሎ ኵናት ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ኣገልግሎት መብራህቲ፣ ማይ፣ ስልክን ባንክን ተቛሪፆም፡ ትግራይ ኣብ ሙሉእ ዕፅዋ ትርከብ። ኣብ ትግራይ ልዕሊ 6 ነጥቢ 3 ሚልየን ህዝቢ ድማ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ተገሊፁ’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ተወሊዑ፡ ካብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ንነዘ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝለሓመ ደማዊ ኵናት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሂወት ኣሽሓት በሊዑ፣ ሚልየናት ካብ መረበቶም ኣመዛቢሉ፣ ጠንቂ መጠነ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምዃኑ ይፍለጥ። ኣብዚ እዋን ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ናይ ስትራቴጂ ለውጥን ምትዕርራያት ቦታን ከም ዝገበሩ ብምግላፅ ከምዝሰሓቡ ምግላፆም ይዝከር። መንግስቲ ግን ተደፊኦም ከምዝወጹ እዩ ዝገልጽ። ኣብቲ ኵናት ኩሎም ሓይልታት ገበናት ኵናት ክኾኑ ዝኽእሉ ከበድቲ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ከምዝፈፀሙ ፀብፃባት ይሕብሩ። ኣሜሪካ ሓዊሱ ማሕበረሰብ ዓለም እዚ ኵናት ብሰላማዊ መገዲ ከብቅዕ ተደጋጋሚ ፃዕሪ ይገብሩ’ኳ እንተለዉ፡ ዛጊድ ፍረ ኣየፍረየን።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59870610"} {"headline":"ሓንቲ ነፋሪት ኣብ መትረብ ኢንግሊዝ ጠፊኣ","content":"ካብ ዓዲ እንግሊዝ ትበርር ዝነበረት ንኡሽቶ ነፋሪት ኣብ መትረብ ኢንግሊዝ ጠፊኣ። እታ ፒኤ-28 ዝተባህለት ነፋሪት ብቐዳም ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ዌልስበርን ናብ ሌ ቶኬ ዝተባህለት ከተማ ፈረንሳ ኣብ እትጉዓዘሉ ዝነበረ እዋን እያ ጠፊኣ። ሓለውቲ ገምገም ባሕሪ ፈረንሳ እታ ነፋሪት ክልተ ሰባት ሒዛ ትጉዓዝ ከም ዝነበረት ብምግላጽ “ምጥፍኣ ከም ዘተሓሳሰቦም” ሓቢሮም። ኣብ መትረብ ኢንግሊዝ ዝንቀሳቐሱ መርከበኛታት ስብርባር እታ ነፋሪት እንተረኸቡ ክእልሹ ዝተዋፈሩ ኮይኖም፡ እቲ ኣለሻ ሎሚ’ውን ቀጺሉ ክውዕል’ዩ። ኣብቲ ትማሊ ክካየድ ዝወዓለ ኣለሻ ክልተ ነፈርቲ ፈረንሳን ሓንቲ ጃልባን ከምኡ’ውን ነፋሪት ብሪጣኒያ ተዋፊረን እታ ዝጠፍአት ነፋሪት ዘላትሉ ቦታ ንምፍላጥ ጻዕሪ ክገብራ ውዒለን።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60971854"} {"headline":"መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ ናብ ስራሕ ክምለሳ ምዃነን ኣፍሊጡ","content":"መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ናብ ስራሕ ንምምላስ ኣብ ናይ መወዳእታ ናይ ምድላው ምዕራፍ ከምዘሎ ኣፍሊጡ፡፡ ቦይንግ 737 ማክስ ዝዓይነተን ነፈርቲ በረራ ደው ካብ ዘብላ ክልተ ዓመት ሓሊፉወን ኣሎ፡፡ ብኣቆጻጽራ ግእዝ 01 መጋቢት 2011 ዓ\/ም ንጉሆ፡ 149 ሰባት ኣሳፊራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ናይሮቢ ዝተበገሰት ነፋሪት ቦይንግ 737 ማክስ፡ ቑጽሪ በረራ ET302፡ ድሕሪ ምውዳቓ እየን እተን ነፈርቲ ደው ክብላ ተገይረን፡፡ ነቲ ሓደጋ ስዒቡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝውንነን ጥራሕ እንተይኮናስ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ ምስ ጸገም ምቁጽጻር ድሕነት ብዝተሓሓዝ በረራ ኣቋሪጸን ምጽንሐን ይፍለጥ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንዋና ፈጻሚ ስራሕ እቲ ትካል ተወልደ ገብረማርያም ጠቒሱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ መንገዲ ኣየር ንድሕነት ቀዳምነት ከምዝህብ ብምግላጽ እተን ነፈርቲ ናብ ኣገልግሎት ከምዝምለሳ ኣመልኪቱ፡፡ እቲ መገዲ ኣየር ኣብዚ ውሳነ ዝበጸሐ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተቖጻጸርቲ ድሕነት በረራ፡ \"ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ ንምብራር ብቑዓት እየን\" ኢሎም ፍቓድ ስለዝሃቡን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ 34 መንገዲ ኣየራት እተን ነፈርቲ ናብ በረራ ምምላሶምን ስዒቡ ከምዝኾነ ሓቢሩ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነተን ነፈርቲ ናብ ስራሕ ንምምላስ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ኣብተን ነፈርቲ ዝተገበሩ ምምሕያሻት ዲዛይን እናፈተሸን ፍቓድ ክሳብ ዝወሃቦ እናተጸበየን ከምዝጸንሐ ኣፍሊጡ'ሎ። ብተወሳኺ ኩሎም ኣብረርቲ፣ መሃንዲሳት፣ ቴክሻናትን ሰራሕተኛታት በረራን ኣብ ድሕነት እተን ነፈርቲ ዘለዎም እምነት ኣብ ዝድለ ደረጃ ከምዝበጽሐ ገሊጹ፡፡ ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት፡ መንገደኛታት ብምጉዕዓዝ 275 ሽሕ በረራታት ከምዘካየዳ እውን ተሓቢሩ፡፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕነት እተን ነፈርቲ ዘተኣማምን ኮይኑ ናብ በረራ ንምምላስ ኣብ ኩለን ነፈርቱ ኣደላዪ ምምሕያሻት ከምዝገበረ ኣፍሊጡ። በዚ መሰረት እተን ነፈርቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ለካቲት ናብ ኣገልግሎት ዝምለሳ ኮይነን፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝርዝር መብርሂ ክወሃብ እዩ ኢሉ፡፡ ኣዝየን ዘመነዎት ዝባሃላ ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ ኣብ መቆጻጸሪ ስርዓት በረራ ብዘጋጠመ ጸገም፡ ኣብ ነፈርቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኢንዶኔዥያን ተመሳሳሊ ሓደጋ ከምዘጋጠመ ይዝከር። ኣብ ክልቲአን ሓደጋ ዘጋጠመን ነፈርቲ ዝነበሩ 346 ሰባት ኩሎም ብምሟቶም ድማ ቦይንግ ንስድራ ግዳኣት ብቢልዮን ዶላራት ካሕሳ ክኸፍል ተሓቲቱ። ቦይንግ ብፍላይ ነቲ ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሓደጋ ስዒቡ ኣብ ቅልውላው ዝኣተወ ኮይኑ፡ ብቢልዮን ዶላር ዝግመት ኣታዊ እውን ስኢኑ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59803918"} {"headline":"ካብ ሓደጋ ነፋሪት ቻይና፡ ብህይወት ዝተረፈ እንተሎ ንምርካብ ጻዕሪ ይቅጽል ኣሎ","content":"ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ቻይና፡ ካብታ ትማሊ 132 ተሳፈርቲ ሒዛ ኣብ ደቡብ ቻይና ዝወደቐት ነፋሪት ብህይወት ዝተረፈ ሰብ እንተሎ ኣለሻ ኣብ ዘካይድሉ ዘለዉ፡ ስድራ ናይቶም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ናይ መወዳእታ ቅባጸት ንኽንገሮም ኣብ ከባቢ መዓርፎ ነፋሪት ኮይኖም ይጽበዩ ኣለዉ። እታ ብቻይና ኢስተርን ኣየርላየን ትውነን ነፋሪት ትማሊ 132 ገያሾ ሒዛ እናበረረት እንከላ'ያ ኣብ ዞባ ጓንጉዚ ቻይና፡ ኣብ እምባታትን ጫካታትን ዝበዝሖ ቦታ ወዲቓ። እቲ ሓደጋ ንብዙሓት ከሰንብድ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ቻይን ጠንቂ ምውዳቕ እታ ነፋሪት ቅልጡፍ መርመራ ክግበረሉ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኣሎ። ኣማኢት ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኣብ ከባቢ እታ ነፋሪት ዝወደቐትሉ ተዋፊሮም ኣለዉ። ማዕከናት ዜና ቻይና ኣብቲ ከባቢ ስብርባር ናይ ነፋሪት ከምዝተረኸበ ብስእሊ ኣሰንየን ከቃልሓ ኣምስየን። ክሳብ ሕጂ ቁጽሪ ምውታት'ኳ እንዘይተነገረ፡ ካብቶም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ሰባት ብህይወት ዝተረፈ ክህሉ ከም ዘይክል'ዩ ዝግለጽ ዘሎ። ስድራን መቕርብን ናይቶም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ገያሾ ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ግዋንግዞ ተኣኻኺቦም ድሃይ ክንገሮም ይጽበዩ ኣለዉ። ሰብ መዚ እታ መንገዲ ኣየር መንነት ናይቶም ተሳፈርትን ኣባላት በረራን'ኳ ክሳብ ሕጂ እንተዘይገለጹ፡ ማዕከናት ዜና ግን ንስድራ ገያሾ ኣዘራሪበን ብዝረኸበኦ ሓበሬታ ሓደ ህጻን ዝርከቦም ሽዱሽተ ኣባላት ሓደ ጉጅል ኣብ ጉዋንግዞ ቀብሪ ንምስታፍ ኣብታ ነፋሪት ተሳፊሮም ምንባሮም ገሊጸን። ሓንቲ ሰበይቲ'ውን ሓፍታን መሓዛኣን ኣብታ ነፋሪት ከምዝነበራ፡ ንሳ'ውን ኣብታ ነፋሪት ትኬት ቆሪጻ ምንባራን ኣብ ውዱእ ሰዓት ሓሳባ ብምቕያር ምስታ ቅድሚኣ ዝነበረት ነፋሪት ከም ዝተጓዓዘት ንማዕከን ዜና ጀምያ ሓቢራ። ሓደ ሰብ'ውን ታን ዝተብሃለ ወዲ 29 ዓመት ዓርኩ ኣብታ ነፋሪት ከም ዝነበረ ንሮይተርስ ገሊጹ። እታ ነፋሪት ምስ ተበገሰት ንሓደ ሰዓት ክትበርር ድሕሪ ምጽናሕ'ያ ሃንደበት ካብቲ ትበሮ ዝነበረት ብራኽ ብቅጽብት ንታሕቲ ወሪዳ። መደበር ቴሌቪዥን ቻይና ካብ ናይ መኪና ካሜራ ብዝተወሰደ ስእሊ፡ ሓንቲ ነፋሪት ብናህሪ ብኣፍንጫኣ ናብ መሬት እናተነቖተት ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣርእዩ ነይሩ፡ ቢቢሲ ግን እዚ ስእሊ ናይታ ዝወደቐት ነፋሪት ምዃኑ ከረጋግጽ ኣይክኣለን። ቦይን 737-800 ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ደቃይቕ ኣሽሓት ሜትሮታት ናብ ንታሕቲ ገጻ ከምዝወረደት ንበራታት ካብ ዝቆጻጸር መርበብ ሓበሬታ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ። እታ ነፋሪት ኣብ 29100 ፊት ብራኸ ክትበርር ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ውሽጢ 2 ደቒቕን 15 ካልኢትን ብቅጽበት ናብ 9075 ፊት ወሪዳ። ንመወዳእታ ግዜ ኸኣ ኣብ ሰዓት 14:22 ኣብ ብራኸ 3225 ፊት ምስ ተራኣየት ካብ ራዳር ጠፊኣ፥ መንገዲ ኣየር ቻይና ኢስተርን ኣየርላይንን ኣቬሽን ቻይናን ብሓባር ኮይኖም መርመራ ጀሚሮም ኣለዉ። ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን፡ ብወገኖም ኣብቲ ቦታ ብምኻድ ነታ ንኹሉ ንጥፈታትን ዘረባታትን እቶም ፓይሎታት እትቀድሕ 'ብላክ ቦክስ' ከምኡ'ውን ንመርመራ ዝሕግዝ ዝኾን ነገር ንምርካብ ኣብ ምድላይ እዮም ዘለዉ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60831406"} {"headline":"ኮቪድ፡ መገድታት ኣየር ኣመሪካ ብሰንኪ ብዝሒ መልከፍቲ ኦሚክሮን ኣማኢት በረራታት ሰሪዞም","content":"ኣብ ኣመሪካ ዝመደብሮም መገድታት ኣየር ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ ኦሚክሮን ይጋደድ ብምህላው በረራታት ክስርዙ ስለዝተገደዱ ሃስይኦም ቀጺሉ’ሎ። ትማሊ ዓርብን ሎሚ ቀዳምን ክካየድ ካብ ዝነበሮ ልዕሊ 4 ሽሕ በረራታት እቲ ርብዒ ከምዝተሰረዘ ‘ፍላይትኣዌር’ ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። ኣባላት በረራ ኦሚክሮን ተለኺፎም ስለዝተረኽቡን ክውሸቡ ስለዝተገደዱን’ዮም ናብዚ ውሳነ ተበጺሑ። ቁጽሪ መልከፍቲ ኦሚክሮን ኣብ ኣመሪካ ብቕልጡፍ ይዛይድ ከምዘሎ ተገሊጹ። ኦሚክሮን ካብ ካልኦት ቫይረሳት ድኽም ዝበለ’ዩ ዝብል ናይ ኣጋ መጽናዕታት’ኳ እንተለዉ፡ ቅልጡፍ ወሰኽ መልከፍቲ ግን ንተመራመርቲ ኣሻቒልዎም ይርከብ። ኣመሪካ ብሰንኪ ኦሚክሮን ኣብ ልዕሊ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦት 7 ሃገራት እቲ ዞባን ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ናይ መገሻ እገዳ ካብ 31 ታሕሳስ ጀሚራ ክተልዕሎ ምዃና ኣፍሊጣ። ካብ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ቦትስዋና፣ ዝምባብዌ፣ ናሚብያ፣ ሌሰቶ፣ ኤስዋቲኒ፣ ሞዛምቢክን ማላውን ናብ ኣመሪካ ዝጉዓዙ ገያሾ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር 29 ጀሚሩ ናብታ ሃገር ንኸይኣትዉ ተኸልኪሎም ምንባሮም ይፍለጥ። ምስ በዓል ልደት ተዛሚዶም ዝግበሩ መገሻታት ንለብዒ ኦሚክሮን ከምዘጋድዶ ኣብ ኣመሪካ ላዕለዋይ በዓል ሞያ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዶ\/ር ኣንቶኒ ፋውቺ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣጠንቂቑ። እንተኾነ ግን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ገያሾ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኣመሪካ ዘጋጠመ ስረዛ ብረራታት ናይ መገሻ መደቦም ተሰናኺሉ ኣሎ። ትማሊ ዓርቢ ጥራይ ካብን ናብን ኣመሪካ ክኣትዋን ክወጽኣን ዝነበረን 689 ነፈርቲ በረርአን ከምዝተሰረዘ ዝሓበረ መርበብ ሓበሬታ ‘ፍላይትኣዌር’ ኣብ መዓልቲ ልደት ከኣ 700 በረራታት ክስረዝ ከምዝኽእል ትጽቢት’ሎ ኢሉ። ብሰንኪ እቲ ስረዛ በረራታት ኣመና ዝተሃሰዩ መገድታት ኣየር ኣመሪካ ዴልታ፣ ዩናይትድን መገዲ ኣየር ኣመሪካን ከምዝኾኑ ተፈሊጡ። መገዲ ኣየር ዩናይትድ ብዝሒ መልከፍቲ ኦሚክሮን እንዳወሰኸ ምምጽኡ ኣብ ሰራሕተኛታት ቀጥታዊ ሃስያ ከምዘስዓበሉ ኣፍሊጡ። ኣብ መላእ ዓለም ትማሊ ዓርብን ሎሚ ቀዳምን ጥራይ ልዕሊ 4 ሽሕ በረራታት ተሰሪዙ። ኣብ ኣውስትራልያ’ውን እንተኾነ ካብ መልበርንን ሲድንን ናብ ካልኦት ከተማታት ክካየዱ ተሓሲቦም ዝነበሩ ልዕሊ 100 በረራታት ስለዝተሰረዘ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ገያሾ ናይ በዓል መደባቶም ተሰናኽልዎም። ኮሮናቫይረስ ካብ ዝኽሰት ንድሓር ኣብ ምሉእ ዓለም 5.3 ሚልዮን ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ክሞቱ እንከለዉ 279 ሚልዮን ሰባት ከኣ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ መረዳእታ ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ የረድእ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59788974"} {"headline":"መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ደስኪላ ዝጸንሐት ቦይንግ 737 ማክስ ናብ በረራ መሊሱ","content":"ብሰንኪ ቴክኒካዊ ጸገማት ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ዓዲ ውዒል ኮይና ዝጸንሐት ቦይንግ 737 ማክስ 8 ዝተባህለት ነፋሪት ሎሚ ናብ በረራ ከምዝተመልሰት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እታ ነፋሪት ድሕሪ'ቲ ኣብ መጋቢት 2019 ዘጋጠመ ሂወት 157 ሰባት ዝቐዘፈ ሓደጋ ብብዙሓት መንገዲ ኣየራት ተኣጊዳ ምንባራ ይዝከር። እቲ መንገዲ ኣየር ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እታ ነፋሪት ኣብ ዘካየደቶ ፈላሚ በረራ ሰበስልጣን መንግስቲን ሰብመዚ እቲ መንገዲ ኣየርን ተሰቒሎም ከምዝነበሩ ሓቢሩ። ዋላ'ኳ ገለ መንገዲ ኣየራት ኣቐዲመን ነታ ስርሓት ቦይንግ ዝኾነት ማክስ 8 ዝዓይነታ ነፋሪት ናብ በረራ ክትምለስ እንተገበራ፡ እቲ በቲ ዘጋጠሞ ሓደጋ ብቐረባ ዝተጎድአ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ግን ደንጒዩ'ዩ ናብ በረራ ዝመልሳ ዘሎ። ንድሕነት ተጓዓዝቲ ቀዳምነት ዝህቦ ምዃኑ ድማ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣነጺሩ'ሎ። ኣብ መጋቢት 2019፡ ናብ ኬንያ ትበርር ዝነበረት ቁጽሪ በረራኣ ET302 ዝነበረ ማክስ ዝዓይነታ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ድሕሪ ምብጋሳ ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ኣብ ከባቢ ከተማ ቢሾፍቱ ብምሕምሻሻ ኣብኣ ዝነበሩ ኣባላት በረራ ዝርከብዎም 157 ሰባት ብምልኦም ሂወቶም ሓሊፉ። መብዛሕቶም'ውን ሬሳኦም ክርከብ ወይ ክልለ ኣይክኣለን። ኣቐዲሙ'ውን ተመሳሳሊት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢንዶኖዥያ ብዙሓት ሰባት ዝቐተለ ተመሳሳሊ ሓደጋ ኣጋጢምዋ ነይሩ'ዩ። ድሕሪ ሓደጋ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ግን፡ ብዙሓት መንገዲ ኣየራት ነታ ጸገማት ዝነበራ ነፋሪት ካብ በረራ ኣጊደንኣ ነይረን። ኣመሪካዊ ትካል መፍረ ነፈርቲ ቦይንግ እታ ነፋሪት ጸገም ከምዝነበራ ብምእማን፡ ኣድላዪ ጽገናታት ከምዝገበረላ ኣፍሊጡ ነይሩ። እቲ ከቢድ ነቐፌታ ዝወረዶ ኩባንያ ንቤተሰብ ግዳያት ሓደጋ ይቕሬታ ብምሕታት ካሕሳ ክኸፍል ምግዳዳዱ ይፍለጥ። ዋና ኣካያዲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ዓለምለኻውያን ተቖጻጸርቲ ድሕነት በረራ ብዛዕባ'ታ ብዙሕ ምምሕያሻት ዝተገብረላ ውሕስነት ስለዝሃቡ ናብ በረራ ክትምለስ ከምዝወሰኑ ተዛሪቡ። ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዋ 36 መንገዲ ኣየራት'ውን ነታ ነፋሪት ናብ በረራ ከምዝመለሳ ኣቶ ተወልደ ጠቒሱ። እታ ነፋሪት ቅድሚ ናብ ንጡፍ ስራሓ ምምላሳ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓያሎ ናይ ፈተነ በረራታት ከምዘካየደት ተፈሊጡ። 'ፍላይት ራዳር 24' ዝተባህለ ንበረራታት ዓለም ዝቆጻጸር ኣካል፡ ነቲ ናይ ፈተነ ይኹ ንናይ ሎሚ በረራታት ናይታ ነፋሪት ኣረጋጊጹ'ሎ። እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ 4 ማክስ 8 ዝዓይነተን ነፈርቲ ከምዘለውኦ ይፍለጥ። ቅድሚ ሓደጋ ምግጣሙ ድማ 15 ተወሰኽቲ ማክስ 8 ክስራሓሉ ኣዚዙ ነይሩ'ዩ። ቦይንግ 737 ማክስ 8 ካብተን ኣዝየን ምዕቡላት ዝብሃላ ዘመናውያን ነፈርቲ ተባሂላ'ያ ትግለጽ። በሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘስዓቦ ምቁራጽ በረራታት፡ ዝበዝሓ መንገዲ ኣየራት ዓቢ ክሳራ'ኳ እንተወረደን፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ግን ብዘይክሳራ፡ ሰራሕተኛታቱ ዓቂቡ ክቕጽል ከምዝኸኣለ ይገልጽ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ናብ ሓሙሽተ ኣህጉራት ዝበርር ኮይኑ፡ 16 ኤይርባስ A350-900 ከምኡ'ውን 19 ቦይንግ B787-8 ዝርከብአን 130 ነፈርቲ ከምዘለዎ ይግለጽ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60223831"} {"headline":"5ጂ ኔትወርክ ዝጥቀማ ሓደሽቲ ሞባይልኩም ብኸመይ ንበረራታት የተኣጓጉላ?","content":"10 መንገዲ ኣየራት ኣሜሪካ ከምዝሓበርኦ፡ ሓድሽ ቴክኖሎጂ 5ጂ (ሓምሻይ ወለዶ) መንቀሊ ምድንጓይን ምቁራጽን ኣሽሓት በረራታት ክኸውን ይኽእል’ዩ። 5ጂ ንኣቬሽን ኣሜሪካ ብኸመይ የተኣጓጉሎ? እዚ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ብሬድዮ ሲግናላት ኣቢሉ’ዩ ዝሰርሕ። ኣብ ኣሜሪካ ን5ጂ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ ናይ ሬድዮ ፍሪኴንሲታት ኣካል ናይቲ ሲ-ባንድ (C-Band) ብዝብል ዝፍለጥ ዝርጋሐ-ብርሃን (ስፔክትረም) እዮም። እቶም ፍሪኴንሲታት ድማ ምስቲ ኣብ ነፈርቲ ዘሎ ሬድዮ ኦልቲሜትር (ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ዘሎ ብራኸ እትዕቅን መሳርሒ) ዝጠቀመሉ ፍሪኴንሲ ዝተቐራረቡ እዮም። ስለዝኾነ ከኣ እቲ ካብ 5ጂ ዝፍጠር ምትእጉጓል ነቲ ኦልቲሜተር ዝተባህለ መሳርሒ ብዝግባእ ኸይሰርሕ ክገብሮ ከም ዝኽእል’ዩ ዝስጋእ። በዚ ድማ ብፍላይ ነፈርቲ ናብ መሬት ኣብ ዝዓልባሉ እዋን ስግኣት ድሕነት በረራ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግለጽ። ክብደት እቲ ሓደጋ ክሳብ ክንደይ’ዩ? እቲ ሓደጋ ኣዝዩ ከቢድ ወይ ዘሻቕል ናይ ምዃን ተኽእሎ ኣለዎ። በዓል መዚ ቁጽጽር ኣቪየሽን ኣሜሪካ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ 5ጂ ብፍላይ ኣብተን 787 ድሪምላይነር ዝበሃላ ነፈርቲ ክፈጥሮ ዝኽእል ጽልዋ ሰፊሕ ከምዝኸውን ኣእንፊቱ ነይሩ። እታ ነፋሪት ኣብ እትዓልበሉ እዋን ናህራ ክንትንከይ ንምቁጽጻር ከም ዘጸግምን ካብቲ ኣብ መሬት ዘሎ መንገዳ ስሒታ ክትወጽእ ከም ዝገብርን ድማ ኣረዲኡ’ሎ። 5ጂ ኣብ ሞንጎ ዝኣትወሉ ኩነታት ኣብ ዝህልወሉ እዋን ንሬድዮ ኣልቲሜትርስ ኦልቲሜትር ምጥቃም ኣይከኣለን። በዚ ምኽንያት ገለ ነፈርቲ ንኽዓልባ ክጽገማ ይገብረን፤ ምኽንያቱ ንጹር ዝኾነ ምስሊ ንምርኣይ ኣጸጋሚ ስለዝኸውን። ን10 ዓበይቲ መንገዲ ኣየራት ዝወከሉ ኩባንያታት ኣብ ዘሕለፍዎ መጠንቀቕታ፡ እዚ ኩነታት ልዕሊ 1000 በረራታት ክደናጎዩ ወይ ክስረዙ ከገድድ ከም ዝኽእል ገሊጾም ኣለዉ። 5ጂ ዝጥቀማ ሃገራት እዚ ስግኣት ይጸልወን’ዶ? ነዚ ዝወሃብ ሓጺር መልሲ “ብማዕረ ኣይጸልወንን” ዝብል ይኸውን። ምኽንያቱ እተን ሃገራት ንቴክኖሎጂ 5ጂ ዝጥቀማሉ ዘለዋ ዓቕሚ ዝተፈላለየ ስለ ዝኾነ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይፈላለየ’ዩ። ንኣብነት ኣብ ኣውሮጳ ዘለዉ ኔትወርክ ነቲ ናይ 5ጂ ፍሪኴንሲ ካብቲ ኣብ ኣሜሪካ ዘለዉ ኣቕረብቲ ኣገልግሎት ዝሓስብዎ ብዝነከየ መጠን’ዮም ዝጥቀሙሉ። እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ሞንጎ ፍሪኴንሲታት (ማዕበል ኣየር) ዝህሉ ምትእትታው ወይ ናይ ምልታም ሓደጋ ይንክዮ’ዩ። ብዘይካ’ዚ ገለ ሃገራት ነቲ ሓደጋ ዝንክዩ ስጉምትታት ወሲደን ኣለዋ። ንኣብነት ፈረንሳ፡ እቲ ቴክኖሎጂ ኔትወርክ ኣብ ዙርያ መዕርፎ ከይዝርጋሕ ገዲባ’ላ። ነቲ ምትእትታው ሲግናላት ዝከላኸል ኣንቴናታት ክሳብ ምትካልእ’ውን ተበጺሑ’ሎ። በዓልመዚ ኣቪየሽን ኣሜሪካ ድማ ንግዚኡ ኣስታት 50 መዕርፎ ነፈርቲ ካብቲ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ነጻ ክኾና ከም ዝገበረ ተፈሊጡ። ኣብ ገለ መዕርፎ ነፈርቲ ድማ ኣብ ክንዲ ኣልቲሜትር ንቴክኖሎጂ ጂፒኤስ ምጥቃም ዝሓሸ ኣማራጺ ከምዝኾነ ተሓቢሩ። እዞም ስጉምትታት እኹላት ከም ዘይኮኑ ጥርዓን ዘቕርባ ዘለዋ መንገዲ ኣየራት ግን ሓድሽ ቴክኖሎጂ 5ጂ ክሳብ 2 ማይል (3.2 ኪሎ ሜትር) ርሕቐት ኣብ ረብሓ ከይውዕል ኣብ ምጉስጓስ ይርከባ። 5ጂ ዘቕርባ ኩባንያታትከ እንታይ በላ? ‘ቨላይዞን’ን ኤቲ ኤንድ ቲ’ን ዝተባሃላ ኩባንያታት ቅድም ክብል እውን ንዝርግሐ 5ጂ ክልተ ጊዜ ከናውሓ ተገዲደን ነይረን’የን። ሎሚ ድማ ኣብተን ዝተጸለዋ መንገዲ ኣየራት ንዝተደንገገ ነጻ ክልል ቅቡል ገይረን ኣለዋ። ቴክኖሎጂ 5ጂ ኣብ ኣስታት 40 ሃገራት ከምዝተዘርግሐ ይሕብራ። ‘ሲቲኣይኤ’ ዝተባሃለ ኩባንያ ግን ነቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ምትእትታው ዝፍጠር ምድንጓይ ንቑጠባ ዝጸሉ ጉድኣት ክህልዎ ከምዝኽእል የጠንቅቕ። ዓባይ ብሪጣንያ እንታይ መርገጺ ሒዛ? እዚ ጉዳይ ዝምልከቶም ሰብመዚ ዓባይ ብሪጣንያ ከምኡ’ውን መገዲ ኣየራት በዚ ኩነታት ብዙሕ ዝተሻቐሉ ኣይመስሉን። በዓል መዚ ኣቪየሽን እታ ሃገር ብሕዳር ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ “ጦብሎቕታ 5ጂ ኣብ ስርዓት በረራ ነፈርቲ ምትእጉጓልን ዘይልሙድ ባህርያትን ከምዘምጽእ ብጭቡጥ ዘረድእ ነገር ኣይረኸብናን” ኢሉ ነይሩ። ተወሰኽቲ መረዳእታት ንምእካብ ከምዝሰርሑ’ውን ኣፍሊጦም ኣለዉ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60050825"} {"headline":"ቦይንግ ምስ ስድራ ግዳያት ሓደጋ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተሰማሚዑ","content":"ኩባኒያ ቦይንግ፡ ምስቶም ብ2019 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ብሰንኪ ሓደጋ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ማክስ 737 ግዳያት ዝኾኑ ስድራቤት ኣብ ስምምዕ በጺሑ። በቲ ሓደጋ፡ ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ 157 ሰባት ከም ዝሞቱ ይዝከር። ብመሰረት ኣብ ቺካጎ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ድማ፡ እቲ ኣፍራዪ ነፈርቲ ብሞት እቶም ተጉዓዝቲ ተሓታቲ ክኸውን ተሰማሚዑ። እቶም ስድራ ግዳያት ድማ ካብቲ ኩባኒያ ናይ መቕጻዕቲ ካሕሳ ኣይሓቱን። ጠበቓታት እቶም ስድራ ግዳያት ቦይንግ \"ሙሉእ ንሙሉእ ተሓታቲ\" ከም ዝኸውን ብምግላጽ እቲ ስምምዕ ከም ዓብዪ ምዕራፍ ተቐቢሎምዎ። እዚ ስምምዕ፡ ካብ ኣመሪካ ወጻእ ዘለው ስድራቤታት [ኣብ ከም ኢትዮጵያን ኬንያን] ኣብ ክንዲ ኣብ ሃገሮም ብኣብያተ ፍርዲ ኣመሪካ ኣቢሎም ካሕሳ ክሓቱ ዘኽእሎም ከም ዝኾነ ተገሊጹ። ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝቕመጥ ማርክ ፒግራም በቲ ሓደጋ ሳም ዝተባህለ ወዱ ዝስኣነ ኮይኑ \"ቦይንግ፡ እቲ ነቐፌታ ናብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ወይ ኣብረርቲ ምውጥዋጥ ገዲፉ ተሓታትነት ምቕባሉ ንዓና ዓብዪ ነገር እዩ\" ኢሉ። ኣዲኡ ዳቢ ብወገና፡ \"በቲ ካሕሳ ብሽም ወድና ሳም ምግባረ ሰናይ ክነቑም ኢና ንደሊ። ሳም'ውን ከምኡ ክንገብር እዩ ዝደሊ\" ትብል። ዋንነታ ናይ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነት ቦይንግ ምስ ተሓምሸሸት ዕዳጋ መሸጣ ነፈርቲ ቦይንግ ነክዩ'ዩ። ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ [ናይ ኢትዮጵያን ኢንዶኔዥያን] ተመሳሳሊ ሓደጋ ከጋጥም እንከሎ ግን ኣብ ምስራሕ እተን ነፈርቲ ከቢድ ጸገም ኣሎ ዝብል ጥርጣረ ኣበጊሱ። እተን ነፈርቲ መርመራ ክሳብ ዝካየድ ን20 ኣዋርሕ ጠጠው ክብላ ተገይሩ ጸኒሑ። ሕጂ ግን ኩባኒያ ቦይንግ ኣብ ሶፍትዌርን ስልጠናን ምምሕያሽ ገይረ'የ ብምባሉ ናብ ስራሕ ክምለሳ ተፈቒዱለን ኣሎ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዘጋጠሞ ሓደጋ ምምሕምሻሽ እታ ነፋሪት፡ ኣብ ጉዕዞ ዝነበሩ ዜጋታት 35 ሃገራት ዝኾኑ 157 ሰባት ሞይቶም'ዮም። እቲ ኣብ ቺካጎ ዋና ቤት ጽሕፈት ቦይንግ ዝርከበሉ ኢሊኖስ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ሕቶታት ካሕሳ ክቐርቡ በሪ ዝኸፍት እዩ። እዚ፡ ንስድራ ግዳያት ዝተፈለየ ካሕሳ ክረኽቡ ዝኽእሉ ምዃኖም እኳ እንተዘይተገልጸ፡ እቲ ስምምዕ ግን መጠንን ገደብን ቐጸልቲ መስርሓት ዝውስን ክኸውን እዩ፥ እቲ ኩባኒያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ \"በቶም ሓደጋታት ፈተውቶምን ኣባላት ስድራ ቤቶምን ዝስኣኑ ኩሎም ሙሉእ ንሙሉእን ፍትሓዊ ብዝኾነ መገድን ክክሓሱ'ዮም\" ኢሉ። ወሲኹ \"እቲ ሓላፍነት ብምቕባል፡ ቦይንግ ምስ ስድራቤታት ዝበጽሖ ስምምዕ ኩሎም ወገናት ነፍሲ ወከፍ ስድራ ዝበጽሖ ግቡእ ካሕሳ ንክረክብ ኣብ ዝገብሩዎ ጻዕሪ ከተኩሩ ይሕግዞም\" ኢሉ። ጠበቓታት እቶም ስድራ ግዳያት'ውን መግለጺ ዝዘርግሑ ኮይኖም፡ ቦይንግ \"ማክስ 337 ኣብ ውሑስ ኩነታት ከም ዘይነበረትን እቲ ሓደጋ ንኻልእ ከም ዘየላግብን ተሰማሚዑ'ዩ\" ኢሎም። ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ቦይንግ ነቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢንዶኔዥያ ሓዊሱ 2.5 ቢሊየን ዶላር መቕጻዕትን ካሕሳን ክኸፍል ተሰማሚዑ ነይሩ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59230434"} {"headline":"ጓል-ኣንስተይቲ፡ ካብ ናብራ ስደተኛ ኣብራሪት ነፋሪት ክትከውን ዝበቕዐት ሶርያዊት ማያ ጋዛል","content":"ማያ ጋዛል ካብ ኵናት ሓድሕድ ሶርያ ካብ ዝሃደሙ ሚልዮናት ሰባት ሓንቲ'ያ። ስድራኣ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት'ዮም ኣብታ ተሰዲሶም ዝመጽእዋ ዓባይ ብሪጣንያ መንበሪ ፍቃድ ረኺቦም፡ እንተኾነ ንሳ ናይ ትምህርቲ ዕድል ንኽትረክብ ዓቢ መሰናኽል እዩ ኣጋጢምዋ። ዘይስገር የለን፡ ንኹሉ ሰጊራ ሕጂ ምኩርቲ ኣብራሪት ነፋሪትን ብሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ስደተኛታትን ክትከውን በቒዓ ኣላ። \"ኩሉ ግዜ ነፋሪት ንምብራር ናብ ኣየር ክድይብ እንከለኹ፡ ኩለእንተናይ ብሓብን እዩ ዝምላእ፡ ሕጂ ፓይለት'የ፡ ኣብ መጀመርታ ግን ኣብ ቤት ትምህርቲ'ውን ከይምዝገብ ዝተኸልከልክሉ ሰብ እየ ነይረ\" ትብል ማያ። ማያ ጓል 16 ዓመት እንከላ እያ ምስ ኣሕዋታን ምስ ኣዲኣን ናብቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝነበረ ኣቡኣ ንምጽንባር ካብ ከተማ ደማስቆስ ተሰዲዳ። ካብ ደማስቆስ ካብ ዝወጽኣትሉ ኣብ ሻዱሻይ ዓመታ ኸኣ ኣብራሪት ናይ ውልቂ ነፋሪት ክተከውን ዘብቕዓ ምስክር ወረቐት ረኺበና፡ ሕጂ ኸኣ ዓባይ ናይ ንግዲ ነፋሪት ከተብርር ትኽእለሉ ትምህርቲ ትወስድ ኣላ። እቲ ዝሓለፈቶ ሽዱሽተ ዓመታት ግን ንማያ ምቹእ ኣይነበረን። ማያ ናብ ከተማ በርኒግሃም ምስ ኣተወት፡ ትምህርታ ክትቅጽል እዩ ተስፍኣ ነይሩ፡ እዚ ግን ብቀሊል ዝርከብ ኣይነበረን። ጓል 22 ዓመት ኮይና ዘላ ማያ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት \"ከምዝመስለኒ ካብ ሶርያ ከም ዝመጽኣኹ ምስ ፈለጡ፡ ጠቅሊለ ዘይተማሃርኩን ናብ ዓበይ ብሪጣንያ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝመጽኣኹን እዩ መሲልዎም፡ ክኸውን ግን ኣይነበሮን\" ኢላ። ማያ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝኣተወትሉ፡ ድሮ ኣብ ሶርያ እንከላ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዛዚማ'ኳ እንተነበረት በቲ ዝነበራ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ትምህርታ ክትቅጽል ኣይተፈቐዳን። ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት ብፊዚክስን ብቁጽርን ክትፍተን እኳ እንተኣመልከተት ተቐባልነት ግን ክትረክብ ኣይከኣለትን። ዩኤንኤችሲኣር፡ ማያ እቲ ካብ ሶርያ ዘምጽኣቶ ናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቐት [ሰርቲፊኬት] ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣፍልጦ ስለዘይተውሃቦ ብዝነበራ ደረጃ ትምህርታ ክትቅጽል ከምዘይተፈቐዳ እዩ ዝሕብር። \"ዝኾነ ሰብ ዛንታይ ክሰምዕ ድሉው ኣይነበረን፡ እዚ ኸኣ ብኸቢድ ጸልዩኒ'ዩ፡ ናብ ትምህርቲ ከይደ ምቕባል ምስ ኣበዩኒ ተስፋ ይቆርጽ ነይረ\" ትብል ማያ። ብመሰረት ካብ ዩኤንኤችሲኣር ዝተረኸበ ሓበሬታ 6.6 ሚልዮን ሶርያውያን ኣብ ስደት ክህልዉ እንከለዉ፡ ካብዚኦም እቶም 20 ሽሕ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ሕቶ ዕቑበኦም ዝጸደቐሎም እዮም። ማያ ብምስዓብ \"ኣብ ዜናታት ካብ ዝርእይዎን ዝሰምዕዎን፡ ገለ ሰባት ስደተኛታት ሰልዶም ክሰረቅዎም ዝመጽኡ ዝመስሎም ኣሎ፡ ኣነ ብነብሰይ ጥራይ ሓሲበ ኣይኮንኩን ዝዛርብ ዘለኹ፡ ከምኡ ክኸውን'ውን ኣይደልይን እየ፡ እታ ስደተኛ ትብል ቃል ኣብ ነብስኻ ክትለግብ እንከላ ግን ንኽትለምዳ ቀላል ኣይኮነትን\" ማያ ንእሽተይ እንከላ፡ ስራሓ ምስ ዲፕሎማስያዊ ጉዳያት ክተሓሓዝ እያ ትሓልም ነይራ፡ ከም ውጽኢቱ ኸኣ ፖሎቲካዊ ስነፍልጠት ብምጽናዕ ናይ ሃገራ ኣምባሳደር ክትከውን ናይ ወትሩ ሕልማ እዩ ነይሩ። እንተኾነ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሃገራ ዝተኸሰተ ኵናት ሓድሕድ ዝነበራ ተስፋ በኒኑ። ኣብ ሶርያ እንከላ ዘሕለፈቶ እዋን ቁልዕነትን ስሙር ጉርብትናን ግን ክሳብ ሕጂ እያ ትዝክሮ። ኣቡኣ ኣብ ጫፍ ከተማ ደማስቆስ ፋብሪካ ክዳውንቲ ዝነበሮ ብዓል ጸጋ እዩ ነይሩ፡ እታ ከተማ ብዕጡቓት ምስ ተኸበበት ግን ዝነበረቶ ገዲፉ ካብታ ሃገር ካብ ምስዳድ ካልእ ኣማራጺ ከምዘይነበሮ ማያ ትገልጽ፡ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ብምኻድ ኸኣ ዑቕባ ሓቲቱ። ማያ ምስ ኣዲኣ ድሕሪ ምትራፋ ምስቲ ዝነበረ ኵናት ብምትሕሓዝ ትምህርታ ንምዝዛም ሰለስተ ኣብያተ ትምህርቲ ክተቐያይር እያ ተገዲዳ። ኣብ 2015 ግን እታ ኣብ ሶርያ ተሪፋ ዝነበረት ስድራ ጽቡቕ ህይወት ኣለዎ ናብ ዝበለቶ ዓባይ ብሪጣንያ ኣምሪሓ፡ ንማያ ግን ዘይከምዝሓሰበቶ ኩሉ ዝኳሕኳሓቶ መዓጹ ተረጊጡ'ዩ ጸኒሕዋ። ብደረጃ ዓለመ 83 ሚልዮን ዝኾኑ ስደተኛታት ናይ ትምህርቲ ዕድል ተነፊግዎም እዩ ዘሎ። ቁጽሪ ስደተኛታት ኣብ ዝውስኸሉ ትምህርቲ ናይ ምርካብ ዕድሎም ኸኣ እናቀሃመ ከምዝመጽእ ዩኤንኤችሲኣር ይሕብር። ብደረጃ ዓለም 37 ሚኢታዊት ካብ ዘይስደተኛታት ዕድል ናይ ዝልዓለ ትምህርቲ ክረኽቡ እንከለዉ ካብ ስደተኛታት ግን እቶም 3 ሚኢታዊት ጥራይ እዮም ነዚ ዕድል እዚ ዝረኽብዎ። ማያ \"እቲ ተደጋጋሚ ምንጻግን ብተደጋጋሚ ንዓይ ኣትሒትካ ምርኣይን እቲ ዝያዳ ሓይሊ ዝሃበኒ ሮቋሒ'ዩ\" ትብል። ናይ ኣንፈትለውጢ ማያ ድሕሪ ክንደይ ውረድ ደይብ ብዲፕሎማ ምህንድስና ክትምሃር ዕድል ረኺባ ናብ ዩኒቨርሰቲ ንኽትኣቱ ንኸተመልክት ምስ ኣዲኣ ናብ ሎንዶን ኣብ ዝኸደትሉ ጥቃ መዓርፎ ነፈርቲ ሄትሮው'የን መደቀሲ ሒዘን ነይረን። ኣብ ሆቴላ ኮይና ኸኣ ነተን ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝዓልባ ዝበራ ነፈርቲ ብኣንክሮ ክትዕዘበን ጀሚራ፡ ብቅጽበት ኣብ ርእሳ ዝኳሳሕኮሐ ተምሳጥ፡ ኣብራሪት ነፋሪት ንኽትከውን ሓዲሽ ሕልሚ ኣስሪጽላ። ሕልማ ክውን ክትገብር ኣብ እተበገስትሉ ግን ገለ የዕሩኹታን ቤተሰባን \"ጓል ኣንስተይቲ ኢኺ ንምንታይ ኢኺ ፓይሎት ክትኮኒ መሪጽኪ? መንከ ከስርሓኪ'ዩ\" ይብልዋ ምንባሮም ማያ ትዝክር። ብመሰረት ካብ 'ኣየር ላይን ፓይሎትስ ኣሶሴሽን' ዝተረኸበ ሓበሬታ ምብራር ነፈርቲ ብደቂ ተባዕትዮ ዝተባሕተን ዝተዓብለለን ስራሕ ኮይኑ፡ 20 ሚኢታዊት ጥራይ ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ይሕብር። ማይ ኸኣ ከም ሕልማ ኣብ 2017 ኣብ ዩኒቨርስቲ ሎንዶን ናይ 'ኣቭየሽን' ክትምሃር ተቀባልነት ረኺባ። ኣብ ትርፊ ሰዓታታት እናሰረሕት፡ ካብ ሰብ እናተለቀሐትን ወጻኢታታ ብምንካይን ኸኣ ንትምህርቲ ዝኾና ሰልዲ ኣብ ምውህላል ተጸሚዳ። \"እታ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ነፋሪት ዝተሳፈርኩላ፡ ሓቂ ክዛረብ ኣይፈተኽዋን፡ ከምቲ ዝሓሰብክዎ ኣይነበረን\" ትብል ማያ። ብምቅጻል \"እዝነይን ርእሰይን ቃንዛ ገይሩለይ፡ ናብ ሰማይ ክንበርር ጀሚርና እታ ራድዮ እንታይ ትብል ከምዘላ ግን ክሰምዓ ኣይክኣልኩን\" ትውስኽ። ማያ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ትኣቱ ኣብ ራብዓይ ዓመታ ግን ንበይና ነፋሪት ከተብርር ጀሚራ። በይና ነፋሪት ከተብርር ኣብ ዝተዳለወትሉ፡ ካብ ክፍሊ መቆጻጸሪ ምስ ነፋሪታ ዝራኸብ ዝነበረ ሬድዮ ርከብ ሽማ ምስ ጸውዓ፡ ውሽጣ ብሓበን ምልእ ኢሉ። \"እታ ንመጀመርታ ግዜ ንበይነይ ዝበረርኩላ ሓጻር እያ ነየራ፡ ኣብ ከባቢ እቲ መዓርፊ ነፈርቲ ኮሊለ እየ ዓሊበ፡ ኣዝዩ ህንጡዩነት ዝነበሮ እዩ ነይሩ ኣብ ውሽጠይ ግን ፉሕ ፉሕ ዝብል ሓጎስ'ዩ ዝፍልፍል ነይሩ\" ብምባል ትዝክር ማያ። ማያ ኣብ ዲግሪ 2:1 እያ ረኺባ፡ ካብዚ ብምብጋስ ትምህርታ ብማስተርስ ዛዚማ ኣብራሪት ዓብይቲ ነፈርቲ ክትከውን ሃቂና'ያ ትሰርሕ ዘላ። ነዚ ንምግባር ብውሕዱ 150 ሰዓታት ናይ በረራ ግዜ ከተመዝግብ ኣለዋ፡ ነዚ ንምግባር ኸኣ ንነፍሲ ወከፍ ሰዓት ካብ 200 ክሳብ 275 ፓውንድ ከድልያ እዩ። ማያ ጎኒ ጎኒ ትምህርታ ኣብ ጉዳያት መሰል ስደተኛታት'ውን ትነጥፍ'ያ፡ ከም መርኣይኡ ኸኣ ሎሚ ዓመት ብዩኤንኤችሲኣር ናይ ክብሪ ኣምባሳደርነት ተዋሂብዋ ኣሎ። ኣጂንሲ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ ኮቪድ ዝሰዓበ እገዳታት ናይ መገሻ ምስ ተላዓለ፡ ማያ ናብ ዝተፈላለየ መዓስከር ስደተኛታት ብምኻድ ዝሓለፈቶ መሰናክልን ዘመዝገበቶ ዓወትን ንስደተኛታት ተመክሮኣ ከተካፍል'ያ ትደሊ። ማያ ትምህርቲ ልክዕ ከም መግብን ማይን ኣገዳሲ ከምዝኾነ ብምጥቃስ፡ ቀዳምነት ሂባ ክትሰርሓሉ እትደሊ ነገር ሰባት ኣብ ልዕሊ ሰደተኛታት ዘለዎም ኣጠማምታ ንምቕያር ምዃኑ ትጠቅስ። \"ንስደተኛታት ምሕጋዝ እቲ ዝቐለለ ነገር እዩ፡ እዚ ካብ ፍሽኽታ እዩ ዝጅምር፡ ነቲ ዝነብርዎ ዘለዎ ከተማ ኣብ ምፍላጥ ከምኡ እናበለ ኸኣ ሞያ ከጥርይሉ ዝኽእሉ ዓውዲ ኣብ ምጥጣሕን ስራሕ ኣብ ምፍጣርን ክዓቢ ይኽእል\" ትብል። ማያ፤ እቲ ንሳ በጺሓቶ ዘላ ንካልኦት ተስፋን ምንቅቃሕን ክፈጥር ከምዝኽእል እያ ትሕብር። \"ሰባት ዓወት ብቀሊል ከምዘይመጽእ ክነግሮም ይደሊ'የ፡ ኣነ ካብ ሶርያ ካብ ማእከል ኩናት ሓድሕድ መጺአ ስደተኛ ዝነበርኩ ሰብ እየ፡ መጀመርታ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ መጻእኩ፡ ሓደ መሰናክላት ሰጊሩ ናብ ዓወት ዝበጽሐ ኣርኣያ ዝኾነኒ ሰብ ይደሊ ነይረ'የ\" ትብል። ብምስዓብ \"ሰብ ተስፋ ክቆርጽ ከምዘይብሉ፡ ኣብ ነብሱ ክተኣማመን ከምዘለዎን ስኑ ነኺሱ ክሰርሕ ከምዘለዎ ምዝኽኻር ኣገዳሲ'ዩ\" ትውስኽ። ሰባት ዛንታኣ ኣብ ዝሰምዕሉ ብኣግርሞት ከምዝጥምትዋ እትሕብር ማያ፡ እቲ ናታ ዓወት ሰባት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘለዎም ኣረዳድኣ ኣብ ምቕያር ክሕግዝ ከምዝኽእል ትትስፎ። \"ስደተኛ ስለዝኾንኩ፡ ጓል ስለዝኾንኩ፡ ሃይማኖተይ ሙስሊም ስለዝኾነን ዓረብ ስለዝኾንኩን ክኸውን ኣይነበሮን ግን፡ ኣብ ልዕለይ ዝነበረ ኣጠማምታ ትሑት እዩ ነይሩ\" ሕጂ ግን ትብል ማያ \"ሕጂ ግን ልክዕ ከምዛ ነዛ ነፋሪት ዝቖጻጸራ ዘለኹ ንሕይወተይ'ውን ክቆጻጸራ ክኢለ'የ\" ትብል ብሓበን።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58567796"} {"headline":"ኣመሪካ፡ ኣብ ሰማያት ሎስ ኣንጆለስ ዝተረኣየ ምስሊ ሰብ ዝፈጠሮ ሻቕሎት","content":"ኣብ ሰማያት ሎስ ኣንጆሎስ ብተደጋጋሚ ዝተረኣየ ምስሊ ሰብ ድሕሩ ዝተገበረ ተደጋጋሚ መርመራታት ብምስሊ ቅርጺ ሰብ ዝተሰርሐ ፍሕኛ [balloons] ክኸውን ከምዝኽል ተገሊጹ። ኤፍቢኣይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ፓይሎታት ብተደጋጋሚ ኣብ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ሎስ ኣንጀሎስ ኣብ ሰማይ ኣብ ኣስታት 915 ሚትሮ ብራኸ ቅርጺ ናይ ሰብ ዘለዎ ነዊሕ ምስሊ ይርእዩ ከምዘለዉ ምስ ተሓበሮ’ዩ መርመራ ከካይድ ጀሚሩ። ንእንተታት ቦታ ዝሃበ መርመራ ኤፍቢኣይ፡ እቶም ፓይሎታት ኣብ ሰማይ ዘንሳፍፍ ፍሕኛ ርእዮም ክኾኑ ከምዝኽሉ እዩ ኣፈናዊ ገምጋም ሂቡ። ብናይ ፖሊስ ሄሊኮፕተር ዝተሰኣለ ስእሊ’ውን፡ ዓሚ ኣብ እዋን ዕለተ ትንሳኤ ሙታን [Halloween] ንመመላኽዒ ተባሂሉ ዝተዳለወ ፍሕኛ፡ ምስ መሬት ኣሲርዎ ዝነበረ ገመድ ምስ ተበትከ ኣብ ሰማያት እንዳተንሳፈፈ እንከሎ ይርኣ’ዩ። ሰለስተ ፓይሎታት ናይ ህዝቢ ነፈርቲ ኣብ ሰማያት ሎስ ኣንጆለስ ቅርጺ ናይ ሰብ ዘለዎ ነገር ከምዝርኣዩን፤ በቲ ዝርኣይዎ ከምዝሰንበዱን’ዮም ንኤፍቢኣይ ቃል ሂቦም። ኣብ ነሓሰ 2020 ሓደ ካብቶም ፓይሎት ናብ ክፍሊ ምቁጽጻር በረራታት ሎስ ኣንጆለስ “ሓደ ናይ ሰብ ቅርጺ ዘሎዎ ነገር ክርኢ ጸኒሐ” ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። እቲ ተረኛ ክፍሊ ምቁጽጻር በረራታት ሎስ ኣንጆለስ ነቲ ፖይሎት ክስንብድ ከምዘይብሉ ብምርግጋእ ጸብጻቡ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ኣመሓላሊፉ። ኣብ ጥቅምቲ 2020’ውን ካልእ ፓይሎት ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ሎስ ኣንጆለስ ንሰሜናዊ ምዕራብ 11 ኪሎሜተር ኣብ ዘሎ ቦታ ተመሳሳሊ ነገር ምርኣዩ ምስክርነቱ ሂቡ። ኣብ ሓምለ 2021 ኸኣ፡ መራሒ ነፋሪት ቦይንግ 747 ኣብ ሰማይት ሎስ ኣንጀሎስ ኣብ 5000 ፊት ብራኸ ተመሳሳሊ ምስሊ ምርኣዩ ምስ ሓበረን ማዕከናት ዜና ምስ ኣቐለሐኦን ኣብ ብዙሓት ሻቕሎት ክፈጥር ጀሚሩ። ንሓደ ዓመት ጽዑቕ መርመራ ክገበሩ ዝጸንሑ ሰብ መዚ ኣቭየሽን ፌድራል ኣመሪካ (FAA) ካልእ ነቲ ምስሊ ዝረኣየ ሰብ ከምዘይረኸቡ ሓቢሮም። ውሃቢ ቃል ብዓል መዚ ኣቭየሽን ፌዴራል ኣመሪካ “ምስ ኤፍቢኣይ ብምዃን እኹል መርመራ ክንገብር ጸኒሕና ኢና፡ እንትርፎ ፍሕኛ እዩ ዝኸውን ዝብል ግን ካልእ ዝረኸብናዮ ነገር የለን” ኢሉ። ብማዕከን ዜና ኤንቢሲ ኣብዚ ሰሙን ዝተዘርገሐ ምስሊ፡ ሓደ ኣንሳፋፊ ኣካል ኣብ ልዕሊ ሰማያት ሎስ ኣንጆለስ እናኣንሳፈፈ እንከሎ ይርአ። እቲ ስእሊ ብናይ ፖሊስ ሄሊኮፕተር ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2020 ዝተሰኣለ ኮይኑ፡ ኣብ ከባቢ እዋን ዕለተ ትንሳኤ ሙታን [Halloween] ከምኡ’ውን ካልኣይ ፓይሎት ሓደ ምስሊ ናይ ሰብ ዘለዎ ነገር ኣብ ሰማያት ሎስ ኣንጆለስ ከምዝርኣየ ምስ ሓበረ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ዝተሰኣለ እዩ። እንተኾነ ኤፍቢኣይ፡ ነቲ ከምዚ ተጠርጢሩ ዘሎ ፍሕኛ ዘፍሪ ትካል ኣብ ዝተወከሰሉ፡ እቲ ፍሕኛ ልዕሊ ደቃይቕ ዘጽንሖ ንፋስ ኮነ ነዳዲ ኣብ ውሽጡ ከምዘይግበረሉን ንሰማይ ነዊሕ ርሕቀት ክኸይድ ከምዘይክእልን ኣረጋጊጹ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59189216"} {"headline":"ኢንግሊዝ፡ ኣብ እዋን በረራ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙ ዝተባህለ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ","content":"ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ውሽጢ ነፋሪት ተዓሚጸ እየ ድሕሪ ብምባላ፡ ሓደ ተጉዓዚ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሂትሮው ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። እታ ውልቀሰብ፡ ብ31 ጥሪ 2022 ለይቲ ካብ ኒው ጀርሲ ኣብ ዝበረረት ነፋሪት ኣብ ውሽጢ ቢዝነስ ክፍሊ ሓደ ወዲ 40 ዓመት ውልቀሰብ ከም ዝተዓመጸት እያ ትዛረብ። ኣካላት ጸጥታ እታ ነፋሪት ንጉሆ ሰዓት 12፡30 ምስ ዓረፈት ነቲ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ኣእትዮም። ኣብቲ ጉዳይ መርመራ ይግበር ዘሎ ኮይኑ እቲ ውልቀሰብ ድማ ብዋሕስ ከም ዝወጽአ ተገሊጹ። ፖሊስ ከተማ ለንደን እታ ውልቀሰብ ፍሉይ ክትትልን ሓገዝን ይግበረላ ከም ዘሎ ተዛሪቡ። ኣብታ ነፋሪት ተፈጺሙ ብዛዕባ ዝተባህለ ጉዳይ ድማ መረዳእታ ከም ዘለዎም ወሃቢ ቃል ፖሊስ ተዛሪቡ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60329359"} {"headline":"ኣብ ጎማ ነፋሪት ተንጠልጢሉ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ሆላንድ ብህይወቱ ዝኣተወ ውልቀሰብ","content":"ፖሊስ ኔዘርላንድስ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተበጊሳ ናብታ ሃገር ኣብ ዝኣተወት ነፋሪት ጎማ ኣብ ዝሰፍረሉ ክፍሊ ተሓቢኡ ዝተጓዓዘ ውልቀ-ሰብ ብህይወት ከምዝተረኸበ ኣፍሊጡ። እቲ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ጆሃንስበርግ ናብ ከተማ ኣምስተርዳም - ኔዘርላንድስ ዝተገበረ በረራ ኣስታት 11 ሰዓታት’ዩ ዝወስድ። ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበገሰት ናይ ጽዕነት ነፋሪት ናብ ኣምስተርዳም ኣብ ዝገበረቶ በረራ ሓደ ጊዜ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ኣዕሪፋ’ኳ እንተነበረት እቲ ዝተሓብአ ውልቀሰብ ግን ሽዑ’ውን ተሓቢኡ ምህላዉ ኣይተፈለጠን። ኣብቲ ጎማ ነፋሪት ተዓጺፉ ዝኣትወሉ ክፍሊ ተሓቢኦም ክጓዓዙ ዝፍትኑ ሰባት፡ ብሰንኪ ዛሕሊን ሕጽረት ኦክስጂንን ብህይወት ናይ ምትራፍ ዕድሎም ዝተለመደ ኣይኮነን። ዕድመ ናይቲ ወልቀሰብ ዛጊድ ከምዘይተነጸረ ፖሊስ ኣፍሊጡ’ሎ። “እቲ ሰብ ኣብቲ ናይ ቅድሚት ጎማ ነፋሪት ዝሰፍረሉ ክፍሊ እታ ነፋሪት’ዩ ብህይወት ተረኺቡ። ኣብዚ እዋን ናብ ሆስፒታል ዝተወሰደ ኮይኑ ጥዕንኡ ድማ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ይርከብ” ኢላ ወሃቢት ቃል ወተሃደራዊት ፖሊስ ሮያል ደች ዝኾነት ጆኣን ሄልሞንስድ ንወኪል ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ። ወሲኻ ከኣ “እዚ ሰብ ክሳብ ሕዚ ብህይወት ምህላዉ ኣዝዩ ዘደንጹ’ዩ” ክትብል ተዛሪባ። ‘ኤን ኦ ኤስ’ ዝተባሃለት ማዕኸን ዜና ኔዘርላንስድ ኣብ ዘውጽኣቶ ጸብጻብ፡ እቲ ውልቀሰብ ኣብ ዝተረኸበሉ እዋን መጠን ዋዒ ሰብነቱ ወሲኹ ከምዝነበረ፣ ሽዑ ኣምቡላንስ ከምዝመጸትን ቀለልቲ ንዝኾኑ ሕቶታት መልሲ ክህብ ኣብ ዝኽእለሉ ኩነታት ከምዝነበረን ኣመልኪታ’ላ። ወሃቢቓል ናይቲ ጽዕነታት ዘመላልስ ‘ካርጉሎክስ’ ብዝብል ዝፍለጥ መንገዲ ኣየር ንሮይተርስ ብኢመይል ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቲ ውልቀሰብ ኣብታ ነፋሪት ተሓቢኡ ከምዝተጓዓዘ ኣረጋጊጹ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60107725"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ: ናብ መቐለ ዝግበር ንግዳዊ በረራታት ዳግም ተጀሚሩ","content":"ተቛሪጹ ዝቐነየ ናብ ከተማ መቐለ ዝግበር በረራታት ካብ ትማሊ ረቡዕ ኣትሒዙ ከምዝጀመረ ተፈሊጡ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ትማሊ ናብታ ከተማ በረራታት ከምዘካየደ ምንጭታት እቲ መገዲ ኣየር ንቢቢሲ ሓቢሮም። ንጽባሕ ዓርቢ'ውን ሰለስተ በረራታት ከካይድ መደብ ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ጠቒሶም። ብሰንኪ'ቲ ኣብ ፈለማ ሕዳር ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ ክልል ዝተወልዐ ኲናት፡ በረራታት ኣየር ንነዊሕ እዋን ተኣጊዱ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ 14 ታሕሳስ ጀሚሩ ንበረራታት ውሽጢ ዓድን ወጻኢን ከምዝተኸፍተ ብዓልመዚ ሲቪል ኣቬሽን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ነይሩ። ቅድሚ ሓደ ሰሙን ግን ሃንደበት መሊሱ ተቛሪጹ ጸኒሑ። ኣብ ክልል ትግራይ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ተቛሪጹ ዝጸንሐ ኣገልግሎት መብራህቲ ናብ ንቡር ከምዝተመልሰ'ውን ብዓልመዚ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣፍሊጡ ነይሩ። እቲ ምቁራጽ ኣብ ልዕሊ መስመር ሓይሊ ኤለክትሪክ ብዝወረደ መጥቃዕቲ ዝሰዓበ ምዃኑ እቲ ትካል ሓቢሩ። እንተኾነ ግን ገለ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ናይቲ ክልል ዝርከባ ከተማታት ክሳብ ሕጂ ኣገልግሎት መብራህቲ ከምዘይረኸባን፡ መስመራት ንምዕራይ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕሪ ይቕጽል ምህላዉን ሰብመዚ ናይቲ ትካል ይገልጹ። ብሰንኪ'ቲ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር ኣብ መንጎ ሓይልታት ክልል ትግራይን ፈደራላዊ መንግስትን ዝተወለዐ ኲናት፡ ንነዊሕ እዋን ኣገልግሎታት መብራህቲ፡ ቴለፎንን ኢንተርነትን ኣቋሪጹ ምንባሩ ይፍለጥ። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ግን ኣገልግሎት ቴለፎን ብኸፊል ስለዝጀመረ፡ ብዛዕባ'ቲ ክሳብ ሕጂ ዘየተወድአ ቅልውላዉ ሓበሬታታት ክወጽእ ጀሚሩ። ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣብ ሓያሎ ከተማታት መስመራት ቴለፎን ይሰርሕ'ኳ እንተሎ፡ ካልኦት ከባቢታት ካብ ርክብ ወጻኢ ኮይኖም ኣለዉ። ብሰንኩ ድማ ብዙሓት ድሃይ ቤተሰቦም ክረኽቡ ኣይካኣሉን ዘለዉ። ምንቅስቓስ መጓዓዝያ ምድሪ'ውን ብኸፊል ካብን ናብን እቲ ክልል ይኹን፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ተፈቒዱ ጸኒሑ'ዩ። ኣብ ፈለማ ናይቲ ብ3 ሕዳር ዝተወልዐ ግጭት፡ እቲ ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ ክልላዊ መንግስትን ፈደራላዊ መንግስትን ኣብቲ ክልል ህጹጽ እዋን ኣዊጆም ምንባሮም ይዝከር። ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ብፈደራላዊ መንግስቲ ዝተወሰነ ኣዋጅ ጸኒዑ ይርከብ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56198249"} {"headline":"ቦይንግ 737 ማክስ ናብ በረራ ክትምለስ ውሳነ ምሕላፉ 'ህጸት ኣለዎ' ተባሂሉ","content":"ኣካያዲ ስራሕ ፋብሪካ ነፈርቲ ቦይንግ 737 ነበር ኤድ ፒየርሰን፡ ኣብ ውሕስና እቲ ካብ በረራ ተኣጊዳ ዝጸንሐት 737 ማክስ ዓይነት ነፈርቲ መጓዓዝያ ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ። እታ ዓይነት ነፋሪት ክልተ ጊዜ ብዘጋጠማ ሓደጋ ምውዳቕ፡ ምኽንያት ሞት 346 ሰባት ብምዃና ካብ በረራ ካብ እትእገድ ዳርጋ ናብ ካልኣይ ዓመት ይጽጋዕ። ኣብዚ እዋን ከኣ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ብራዚልን ናብ በረራ ክትምለስ ዝተወሰነ ኮይኑ፤ ኣብ ኣውሮጳ ድማ ኣብዚ ሰሙን ዳግም ናብ በረራ ናይ ምምላስ ፍቓድ ክወሃባ ትጽቢት ይግበር። እንተኾነ ኤድ ፒየርሰን፡ እታ ነፋሪት ናብ በረራ ቅድሚ ምምላሳ፡ ፋብሪካ ቦይንግ፡ ኣብታ ኣውሮፕላን ኣገዳሲ ዝኾነ ምርመራ ኤለክተሪካዊ ጉዳያትን ጸገማት ጽፈት ምህርትን ክካይድ የተሓሳስብ። ኣብ ኣሜሪካን ኣውሮጳን ዝርከቡ ተቖጻጸርቲ ግን እቲ ዳግመ ምርመራ ብዕውት ኩነታት ከምዝተኻየደ ብምግላጽ፡ 737 ማክስ ንበረራ ውሑስ ከምዝኾነት ኣፍሊጦም ኣለዉ። ፒየርሰን ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቶም ተቖጻጸርትን መርመርትን ንቐንዲ ጉዳያት ከምዘይተገደሱ የመልክት። ምናልባት'ውን እቶም ጉዳያት ምስቶም ዘጋጠሙ ሓደጋታት ቀጥታዊ ረኽቢ ክህልዎም ከምዝኽእል ይሕብር። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 በረራ ላየን ኤይር ጄቲ610 ኣብ ኢንዶነዢያ ወዲቓ፤ ብድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ከኣ ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እትውነን ቁጽሪ በረራ ኢቲ302 ካብ ኣዲስ ኣበባ ንበረራ ምስተልዓለት ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ወዲቓ። መርመርቲ ከምዝሓበርዎ ኣብ ክልቲኤን ነፈርቲ ዘጋጠመ ሓደጋ መንቀሊኡ ንነገራት እናንበበ ሓበሬታ ኣብ ዝህብ ኣካል እቲ ነፋሪት ['ሰንሰር'] ዝተኸሰተ ጸገም'ዩ። 'ኤምካስ' ብዝብል ናብ ዝፍለጥ በረራ መቆጻጸሪ ሶፍትዌር ትኽክለኛ ዘይኮነ ሓበሬታ ሂቡ። እዚ ሓበሬታ ከኣ ኣፍንጫ እታ ነፋሪት ብተደጋጋሚ ናብ ቆልቁል ክድፋእ ከምዝገበረ ይግለጽ። በዚ ምኽንያት ኣብረርቲ ነፈርቶም ናብ ብራኸ ክምለሳ ጽዒሮም፤ እንተኾነ ክልቲኤን ነፈርቲ መወዳእተአን ምሕምሻሽ ኮይኑ። ኩባንያ ቦይንግ ንሶፍትዌር 'ኤምካስ' ኣብ ምምሕያሽ ኣድሂቡ ክሰርሕ እንተጸንሐ'ኳ፤ ኤድ ፒየርሰን ግን እዚ እኹል ከምዘይኮነ የጠንቅቕ። ንሱ ኣብ 2018 ኣብ ዝሃቦ ምስክርነት እታ ነፋሪት ጸገም ከምዘለዋ ኣቐዲሙ ሓበሬታ ይህብ ምንባሩ ገሊጹ ነይሩ። ንስድርኡ ኣብታ ነፋሪት ከሳፍሮም ከምዘይደልይ ክሳብ ምግላጽ'ውን በጺሑ። ነዚ ከም ምኽንያት ዘቐምጦ ከኣ ሰራሕተኛታት ኩባንያ ቦይንግ ሓድሽ ኣውሮፕላን ብቕልጡፍ ክሰርሑ ጸቕጢ ይበጽሖም ምንባሩ እዩ። 737 ማክስ ድማ ተሰሪሑ። በዚ ህጸት ምኽንያት ሓደጋታት ከምዘጋጠሙ ዘረድእ ኤድ ፒየርሰን ኣብዚ እዋን ድማ 737 ማክስ ናብ በረራ ክምለስ ምህጻጽ ይረኣይ ከምዘሎ ገሊጹ። ፒየርሰን እተን ነፈርቲ ገና ካብ ኣሰራርሓ ጀሚሩ ብዝነበረ ጸገም ንሓደጋ ከምዝተቓልዓ'ዩ ዝኣምን። ዝተሓላለኸ ዝርግሐ ውሽጣዊ ገመዳት ኤለክትሪክ እውን ነቲ ናብ ኤምካስ ዝበጽሐ ግጉይ ሓበሬታ መንቀሊ ክኸውን ከምዝኽእል ይገልጽ። እቲ 'ሰንሰር' ምኽንያት ሓደጋ ክልቲኤን ነፈርቲ ክኸውን ከምዝኽእል ብምሕባር ከኣ 'እዚ ከምዚ ዝበለ ሓደጋ ግን ብኸመይ ኣብ ሓደሽቲ ነፈርቲ ከጋጥም ኪኢሉ?' ዝብል ሕቶ የልዕል። ኣብዚ እዋን ብዝተገበረ ምትዕርራይ ግን እቶም ንዘጋጠሙ ሓደጋታት ምኽንያት ዝኾኑ ነገራት ብተቖጻጸርቲ ከምዘይተረኣዩ ይዛረብ። እዚ ድማ ናብ ካልእ ዘሕዝን ሓደጋ ዘውድቕ ከምዝኸውን ኣጠንቂቑ። ሓደ ካብቶም ኣለዉ ዝበሃሉ ተጣበቕቲ ድሕነት ኣቪየሽን ዝኾነ ካፒተይን ቸስለይ ሰልንበርገር'ውን ንስግኣት ፒየርሰን ደጊፉ'ሎ። \"ኤድ ፒየርሰን ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣዝዩ ዝርብሽ'ዩ\" ዝበለ ቸስለይ፡ ብዙሓት ኣገደስቲ ዘይተመለሱ ሕቶታት ከምዘለዉ ገሊጹ። \"ቦይንግን ፌደራል ምምሕዳር ኣቪየሽንን ግልጽነት ክህልዎም ኣለዎ፤ ሓበሬታን ዳታን ከቕርቡ ይግባእ። ንብቕዓት እቲ ዛጊድ ዝተሰርሓ ስራሕ ከኣ ዘይሻራዊ ጉጅለ ሰብ ሞያ ይፈትሽዎ\" ኢሉ። ቢቢሲ ዘዘራረቦ ኣብ ብሪጣንያ ጨንፈር ምጽራይ ሓደጋ ነፈርቲ ሙኩር መርማሪ ነበር ውጽኢት መጽናዕቲ ኤድ ፒየርሰን ብስፍሓት ክረኣይ ከምዝግባእ ተዛሪቡ። ምምሕዳር ፌደራል ኣቪየሽን ግን 737 ማክስ \"ሓፈሻውን ኣገባባውን ዝኾነ መስርሕ ገምጋም ድሕነት\" ብምሕላፍ ናብ በረራ ኣብ እትምለሰሉ ደረጃ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ'ሎ። ሓላፊ ኤጀንሲ ድሕነት ኣቪየሽን ኣውሮጳ [EASA] ፓትሪክ ኪ ሓደ እዋን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ እታ ነፋሪት ናብ በረራ ንምምላስ ኣብ ውሑስ ደረጃ ከምዘላ \"ርግጸኛ እየ\" ኢሉ ነይሩ። እቶም ኣብ ቁጽሪ በረራ ኢቲ302 ብዘጋጠመ ሓደጋ ምውዳቕ ነፋሪት ኣባላት ድስርኦም ዝሞትዎም ግን \"ምስ ድሕነት እታ ነፋሪት ብዝተሓሓዝ ንዝለዓሉ ስግኣታት ብግልጽን ብምሉእነትን ክፍታሕ እንተዘይኪኢሉ\" 737 ማክስ ናብ በረራ ከይትምለስ ነቲ ኤጀንሲ ምሕጽንታ ምቕራቦም ቀጺሎምሉ ኣለዉ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55792388"} {"headline":"ቦይንግ ካብ በረራ ዝተኣገዳ ነፈርቱ ናብ ኣገልግሎት ንምምላስ ባዕሉ ኣብረርቲ ይቖጽር ኣሎ","content":"ኩባንያ ቦይንግ ናብ መገዲ ኣየራት ዝዋፈሩን ነተን ካብ በረራ ተኣጊደን ዝጸንሓ 737 ማክስ ዝዓይነተን ነፈርቲ ብዝሓሸ ኩነታት ናብ በረራ ኣብ ምምላስ ዘተሓባብሩን 160 ፓይለታት ቆጺሩ። እቶም ኣብረርቲ ን35 መዓልታት ብምውፋር፡ ከም ኣሰልጠንትን ተዓዘብቲ ክፍሊ ጋቤና ነፋሪትን ኮይኖም ክሕግዙ እዮም። ቦይንግ 737 ማክስ ብድሕሪ'ቶም ንሕልፈት 346 ሰባት ምኽንያት ዝኾኑ ክልተ ሓደጋታት ምውዳቕ ነፈርረቲ፡ ካብ በረራ ተኣጊዳ ምጽንሓ ይዝከር። ኣብ ብራዚል ዝርከብ መገዲ ኣየር ጎል ድማ ነታ ዓይነት ነፋሪት ናብ ኣገልግሎት ዝመለሰ ፈላሚ መገዲ ኣየር ኮይኑ'ሎ። \"737 - 8 ከምኡ'ውን 737-8 [ዓይነት ነፈርቲ] ውሑስ ብዝኾነ መገዲ ናብ በረራ ንምምላስ ምስ ዓለምለኸ ተቖጻጸርትን ዓማዊልን ብቐረባ ምስራሕና ክንቕጽለሉ ኢና\" ኢሉ ቦይንግ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ። ሮይተርስ ከምዝጸብጸቦ፡ እቶም ዝቑጸሩ ፓይለታት ንዓመታዊ መሃያ ዝመጣጠን ክፍሊት ክረኽቡ እዮም። ዝቑጸሩ ፓይለታት ከኣ 1000 ሰዓታት ዝኣክል ናይ ኣሰልጣንነት በረራ ተሞክሮ ዘለዎም ከምኡ'ውን \"ሓደጋ ዘየጋጠሞም፣ ተጓንፎ ዘይብሎም፣ ጥፍኣትን ጥሕሰታትን ዘይፈጸሙ\" ክኾኑ ከምዝግበር ተገሊጹ'ሎ። እቶም ብቦይንግ 737 ማክስ 8 ዝግበሩ በረራታት ድማ ሸውዓቲኡ መዓልታት ምሉእ 24 ሰዓታት ክትትል ክግበረሎም'ዮ። ናይ መገዲ ኣየር 'ላየን ኤይር' ነፋሪት ዝኾነት ቁጽሪ በረራ 610 ካብ ጃካርታ ምስተበገሰት ኣብ ጥቅምቲ 2018 ክትወድቕ ከላ፤ ብተመሳሳሊ ብመገዲ ኣየር እትውነን ቁጽሪ በረራ 302 ኣብ ወርሒ መጋቢት 2019 ካብ ኣዲስ ኣበባ ምስተበገሰት ሓደጋ ምውዳቕ ኣጋጢምዋ። እታ ዓይነት ነፋሪት ናብ ኣገልግሎት ቅድሚ ናብ በረራ ምምላሳ ኣብ ናይ መቆጻጸሪ ሶፍትዌትን ካልእን ምምሕያሽ ከምዝተገበረላ ቦይንግ ይገልጽ። ኤጅንሲ ድሕነት ኣቪየሽን ሕብረት ኣውሮጳ ግን ቦይንግ 737 ማክስ ናብ ኣገልግሎት ንኽትምለስ ዝሃቦ መረጋገጺ የለን። ክሳብ ወርሒ ጥሪ ግን መረጋገጺ ፍቓድ ክህብ ትጽቢት ኣሎ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55344399"} {"headline":"መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንዓማዊሉ ውሕስነት ኮቪድ-19 ክህብ ጀሚሩ","content":"መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ 21 መስከርም 2013 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ጀሚሩ ንተጓዓዝቲ ውሕስነ (ኢንሹራንስ) ኮሮናቫይረስ ይህብ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። እቲ ዝወሃብ ውሕስነት በቲ መገዲ ኣየር ንዝጓዓዙ ጥራይ ኮይኑ፤ ናብ ዝመጽኡሉ ምምላስ፣ ንማእኸል መወሸቢን ካልእ ወጻእታት ሕክምናን ከምዝሽፍን ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ሓቢሩ። 'ሼባ ኮምፎርት' ዝብል ስያመ ዝተወሃቦ እዚ ኢንሹራንስ፡ ተጓዓዝቲ ኣብ እዋን መገሽኦም ብኮቪድ-19 እንተተታሒዞም ንወጻእታት ሕክምና ዝኸውን ክሳብ 100 ሽሕ ዩሮ ክሽፍን ምዃኑ ሓቢሩ። ናብ መወሸቢ ማእኸል ንዝኣትዉ ሰባት ድማ መዓልታዊ 150 ዩሮ [ናይ 14 መዓልታት 2100 ዩሮ] ከምዝኸፍለሎም ኣብ መግለጺኡ ኣመልኪቱ። እቲ መገዲ ኣየር፡ ተጓዓዝቲ ጥዕንኦምን ድሕነቶምን ተሓልዩ ንኽጓዓዙ ብዝብል ነቲ ውሕስነት ከምዝጀመረ ይገልጽ። \"ነብሰ ምትእምማን ተጓዓዝቲ ክውስኽ ክነገብር ኢና\" ዝበለ ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም፡ እዚ መስርሕ ውሕስና ብምጅማርና ሕጉሳት ኢና ክብል ምዝራቡ እቲ ዝወጸአ መግለጺ ኣመልኪቱ። ኣብዚ እዋን ምስ ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ ድሕነት ተጓዓዝቲ ኣብ ስግኣት ብምእታዉ፡ ኣገደስቲ ለውጥታት ብምግባር ድሕነት ተጓዓዝቲ ንምውሓስ ቀዳምነት ከምዝህብ ሓቢሩ'ሎ። እቲ ውሕስነት (ኢንሹራንስ) ካብ 21 መስከረም ክሳብ መጋቢት 2013 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ከምዝጸንሕ እቲ መግለጺ የነጽር።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54432749"} {"headline":"መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ታርታ 200 ብሉጻት መገዲ ኣየራት መበል 20 ተሰሪዑ","content":"መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዘጉዓዓዞ ብዝሒ ገያሾ ካብ ብሉጻት 200 መገዲ ኣየራት ኣብ መበል 20 ተርታ ምስርዑ ዓለምለኻዊ ማሕበር መጉዓዝያ ኣፍሊጡ። እቲ መገዲ ኣየር ነቲ ደረጃ ዝረኸበ ንልዕሊ 16 ሚልዮን ገያሾ ኣገልግሎት ብምሃቡ ከም ዝኾነ እቲ ማሕበር ካብቲ መገዲ ኣየር ዝረኸቦ ሓበሬታ ብምጥቃስ ገሊጹ። ብመሰረት እዚ መዐቀኒ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝተሰርዐ መገዲ ኣየር ኤምሬትስ ኮይኑ ንልዕሊ 78 ሚልዮን ገያሾ ኣገልግሎት ሂቡ። መገዲ ኣየር ኣየርላንድ ራይኔይር ልዕሊ 64 ሚልዮን፣ መገዲ ኣየር ቐጠር ድማ ልዕሊ 57 ሚልዮን ገያሾ ብምጉዕዓዝ ኣብ መበል ካልኣይን ሳልሳይን ተርታ ተሰሪዖም ኣለው። ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣዝዩ ካብ ዝሃሰዮ ዓውድታት ሓደ መጉዓዝያ ኣየር ኮይኑ፤ ብዙሓት መገዲ ኣየራት ሰራሕተኛታት ካብ ምጉዳል ክሳዕ ምሉእ ብምሉእ ስራሕ ደው ምባል በጺሖም እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ መገዲ ኣየራት ኣብ ቅልውላው ክኣተውን ስራሕ ደው ከብሉን ክግደዱ እንከለው፤ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ግና ነቲ ከቢድ እዋን ጽዕነት ኣብ ምምልላስ ኣድሂቡ ብምስራሕ ክሰግሮ ከም ዝኸኣለ ተገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ መጉዓዝያ ኣየር ብዝፈጠሮ ጽልዋ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከም ዝሰኣነ ተገሊጹ እዩ። እቲ ለበዳ ኣብ ታሪኽ መገዲ ኣየራት ተራእዩ ዘይፈልጥ ቅልውላው ከም ዘስዓበ ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም ንቢቢሲ ሓቢሩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ልዕሊ 90% ናይ ገያሾ በረራታት ደው ኢሉ ምንባሩ ዝሓበረ ኣቶ ተወልደ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ለካቲት ክሳብ ሰነ እቲ ትካል ካብ ምጉዕዓዝ ገያሾ ክረኽቦ ዝግባእ ከባቢ ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከም ዝሰኣነ ገሊጹ። ኣብዚ ምስ ስግኣት ኮቪድ-19 ብዝተሓሓዝ ድሕነት ገያሾ ኣሻቓሊ ኣብ ዝኾነሉ እዋን'ውን እቲ መገዲ ኣየር ኣድላዪ ለውጥታት ብምግባር ድሕነት ገያሾ ምርግጋጽ ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ ምዃኑ ምግላጹ ዝዝከር እዩ። ብዕብየቱ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ካብ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ንገያሾ መድሕን ጥዕና ኮቪድ-19 ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ'ሎ። እቲ 'ሼባ ኮምፎርት' ዝተሰመየ ውሕስነት ገያሾ ኣብቲ መገዲ ኣየር ተሳፊሮም ኣብ ጉዕዞኦም ብኮቪድ-19 ምስ ዝልከፉ ክሳዕ 100,000 ብር ዝበጽሕ ናይ ሕክምና ወጻኢታቶም ክሽፍነሎም እዩ። ብዘይካ'ዚ ንመወሸቢ ን14 መዓልትታት፡ መዓልታዊ 150 ዩሮ ከም ዝሽፍነሎም ካብቲ መገዲ ኣየር ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብ1945 እዩ ብስርሓት ኣመሪካ ብዝኾና ነፈርቲ ስርሑ ጀሚሩ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57884708"} {"headline":"ኡበር ድሕሪ ሓደ ዓመት ዝወሰደ ክርክር ኣብ ከተማ ለንደን ክሰርሕ ተፈቒድሉ","content":"ብመተግበሪ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ታክሲ ዝህብ ትካል ኡበር፡ ብሰንኪ ጉድለት ውሕስነት ድሕነት ንኣስታት ሓደ ዓመት ብክፍሊ መጓዓዝያ ለንደን ኣብታ ከተማ ዘስርሖ ወረቀት ፍቓድ ብቐዋምነት ከምዘይሕደሰሉ ተገይሩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዳኛ ናይ ይግባይ ቤትፍርዲ እቲ ትካል ዝድለ ምምሕያሻት ገይሩ ኣሎ ብምባል ስርሑ ክቕጽል ወሲኑ። እዚ ፍርዲ ነቶም ኣብ ከተማ ለንደን ኣገልግሎት ኡበር ዝህቡ 45,000 ዘወርቲ እፎእታ ፈጢርሎም ኣሎ። ዳኛ ዌስትሚኒሰተር፡ ኡበር ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ለንደን ክሰርሕ 'ብቑዕን ልክዕን'ዩ' ኢሉ። ክፍሊ መጓዓዝያ እታ ከተማ፡ ኣብ ልዕሊ ትካል ኡበር ኣቕሪብዎ ካብ ዝነበረ ክስታት፡ ኣብቲ ትካል ዘይተመዝገቡ መራሕቲ መካይን ኣብቲ መተግበሪ ናይቲ ትካል ብምእታው፡ ሒሳብ ናይቶም ብግቡእ ዝተመዝገቡ መራሕቲ መኪና ተጠቂሞም ስእሎም ብምልጣፍ ሰራሕተኛታት ኡበር ተመሲሎም ኣገልግሎት ክህቡ ጸኒሖም ዝብል እዩ። እቲ ቤት ፍርዲ 24 መራሕቲ መካይን ትካል ኡበር ን20 ሰባት ሕሳቦም ስለዝሃቡ እቶም 20 ሰባት ኣብቲ መተግበሪ ናይ ኡበር ብምእታው 14788 ግዜ ንሰብ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ከምዝሃቡ እዩ ዝሕብር። ኣብ ሰሜንን ምብራቕን ኣውሮጳ ላዕለዋይ ዞባዊ ሓላፊ ኡበር ዝኾነ ጅሚ ሄይዉድ \"ሕጂ እንታይ ክንገብር ንኽእል ዘይኮነ፡ ቅድሚ ሕጂ ካብቲ ዝሰራሕናዩ ንላዕሊ ክንሰርሕ ይግብኣና ነይሩ\" ኢሉ። ከንቲባ ከተማ ለንደን ሳዲቕ ክሃን: እቲ ክፍሊ መጓዓዝያ ለንደን ዝወሰኖ ውሳነ [ወረቐት ፍቓድ ኡበር ዘይምሕዳሱ] ቅኑዕ ከምዝነበረ ብምሕባር፡ ሕጂ ግን እቲ ትካል ምምሕያሻት ከምዘርኣየ ገሊጹ። እቲ ከንቲባ ብምስዓብ \"ንነበርቲ ለንደን ሓደ ነገር ከረጋግጸሎም ይደሊ፡ ክፍሊ መጓዓዝያ ለንደን ንኣሰራርሓ ኡበር ብቐረባ ክከታተሎ'ዩ: ድሕነት ተገልገልቲ ዘጠራጥር ነገር እንድሕር ገይሮም ከኣ ቅልጡፍ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣይክወላወልን'ዩ\" ኢሉ። ምክትል ላዕለዋይ ዳኛ ታን ኢካም፡ ኡበር ዝጠሓሶም ሕግታት ብምጥቃስ እቲ ትካል ኣብዚ ሕጂ እዋን ኩሉ መለኪዒታት ከምዘማልአ'ዩ ዝገልጽ። ንሱ ብምስዓብ \"ኡበር ነቲ ዘጋጠሞ ውድቀት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኩሉ መለክዒታት ኣማሊኦም እዮም፡ ኣብ ለንደን ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ንክህቡ ናይ ወረቐት ፍቓድ ክሕደሰሎም ድማ ቅኑዕን ግቡእን'ዩ\" ኢሉ። እዚ ንኡበር ን18 ኣዋርሕ ኣብ ለንደን ክሰርሕ ተዋሂብዎ ዘሎ ፍቓድ ሓያለ ቅድመ ኩነት ዘለዎ ኮይኑ፡ ሓደ ካብኡ ክፍሊ መጓዓዝያ እታ ከተማ ብደቂቕ ምክትታል ክገብረሎም ዝእዝዝ'ዩ። ክሳብ ሕጂ፡ ብግዝያውነት'ዩ ኣገልግሎት ክህብ ጸኒሑ። ላዕለዋይ ዞባዊ ሓላፊ ኡበር ጅሚ ሄይዉድ ብወገኑ \"እዚ ውሳነ፡ ኡበር ድሕነት ተጓዓዝቱ ንምውሓስ ዘለዎ ተወፋይነት ዘርኢ ኮይኑ፡ ምስ ክፍሊ መጓዓዝያ ለንደን ድማ ብቕርበት ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና\" ኢሉ። ክፍሊ መጓዓዝያ ለንደን ኣብ መስከረም 2017'ውን ንኡበር ወረቐት ስራሕ ምሕዳስ ኣብይዎ ከምዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ትካል ናብ ቤት ፍርዲ ብምኻድ ን15 ኣዋርሕ ዘስርሕ ፍቓድ ክረክብ ክኢሉ ነይሩ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54329254"} {"headline":"ካብ ኣመሪካ 99 ሽሕ ዶላር ሒዙ ክወጽእ ዝተትሓዘ ኢትዮጵያዊ ገንዘቡ ክውረስ ይኽእል'ዩ-ተባሂሉ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንተቖጻጸርቲ ጉምሩክ ከየፍለጠ ናብ 99 ሽሕ ዶላር ዝጽጋዕ ገንዘብ ካብ ኣመሪካ ከውጽእ ዝተትሓዘ ኢትዮጵያዊ፡ ገንዘቡ ክውረስ ከም ዝኽእል ተገሊጹ። ቢቢሲ ኣብ ትሕቲ ቤት ጽሕፈት ድሕነት ውሽጢ ሃገር ኣመሪካ ካብ ዘሎ ክፍሊ ክትትል ዶብን ጉምሩክን ብመሰረት ዝረኸቦ መረዳእታ፡ እቲ ኢትዮጵያዊ ሒዙዎ ዝነበረ ኣዝዩ ልዑል መጠን ገንዘብ መንግስቲ ክወርሶ ከም ዝኽእል የመልክት። እቲ ውልቀሰብ፡ ብዝሓለፈ ሮቡዕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጽእ ዝነበረ ኮይኑ ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዳላስ ኣብ ዝርከብ መዕረፊ ተጉዓዝቲ እናሃለ ብተቖጻጸርቲ ጉምሩክን ዶብን ኣመሪካ ምስቲ ሒዙዎ ዝነበረ ገንዘብ ኣብ ቀይዲ ከም ዝወዓለ ተገሊጹ። እቲ ውልቀሰብ ሒዙዎ ዝነበረ 98 ሽሕን 762 ዶላር ኮይኑ፡ ልዕሊ 3.6 ሚሊዮን ብር ዝግመት'ዩ። ሰራሕተኛ ርክብ ህዝቢ ቤት ጽሕፈት ጉምሩክ ኣመሪካ ስቲቭ ሳፕ ን ቢቢሲ ብጽሑፍ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ተጉዓዝቲ ዝሓዙዎ መጠን ዶላር ንከፍልጡ ኣብ ዝሕተተሉ እዋን፡ ምስቲ ውልቀሰብ እነበረ ዶላር ሕጊ እታ ሃገር ዝጠሓሰ እዩ ኢሉ። ብተወሳኺ እቲ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ስለ ዘይኣተወን ክሲ ገበን ስለ ዘይተመስረተሉን ማንነቱ ከም ዘይግለጽ ቢቢሲ ዝረኸቦ መረዳእታ የመልክት። ከምዚ ዓይነት ናይ ሕጊ ጥሕሰት ከጋጥም እንከሎ ክሲ ምምስራት ዝምልከት ዐዓቃቢ ሕጊ እታ ሃገር ውሳነ ከም ዝህብ ዘመላኽት ስቲቭ ሳፕ፡ ምስዚ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ዓቃቢ ሕጊ ክሲ ገበን ንዘይምምስራት ከም ዝወሰነን እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዘይኣምርሐን ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ይኹን'ምበር፡ እቲ ውልቀሰብ መጠን ዝውውር ገንዘብ እታ ሃገር ናይ ምፍላጥ ግዴታ ስለ ዘይፈጸመ ልዕሊ 98 ሽሕ ዶላር ኣብ ኢዱ ተረኺቡ'ዩ። ስፒቭ ሳፕ ከም ዝበሎ፡ ተጉዓዝቲ ብዝተፈላለየ መገድን ብተደጋጋሚ ዝሕዙዎ መጠን ገንዘብን ብትኽክል ክከፍልጡ ከም ዝሕተቱን፡ ብጽሑፍን ብቃልን ንተቖጻጸርቲ ጉምሩክ ከፍልጡ ግዴታ ኣለዎም። ሰበ ስልጣን ከም ዝብሉዎ እቲ ኢትዮጵያዊ ውልቀሰብ ኣብ ኣመሪካ ሕጋዊ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎ እዩ። ኣብቲ እዋን ሒዙዎ ዝነበረ ጥረ ገንዘብ ብጽሑፍን ቃልን ከፍልጥ ከም ዝተሓተተን 14 ሽሕ ዶላር ጥራሕ ከም ዝሓዘ ሓበሬታ ክህብ እንከሎ፡ ኣብቲ ሒዙዎ ዝነበረ ቦርሳ ግን 19 ሽሕን 112 ዶላር ተረኺቡ'ዩ። በዚ ምኽንያት ብሓለፍቲ ክትትል ዶብን ጉምሩክን ተፈቲሹ ሓሊፉ ዝነበረ ቦርሳ ሓዊሱ ብዝተገብረ ዳግማይ ተፍትሽ ኣብ ጫማን ስረን ዝተሓብአ ተወሳኺ 79 ሽሕን 650 ዶላር ክርከብ ክኢሉ'ዩ። ስቲቭ ሳፕ ወሲኹ እቲ ውልቀሰብ እዚ ዝኣክል መጠን ገንዘብ ከም ዝሓዘን ንምንታይ ግልጋሎት ከም ዘውዕሎን'ኳ እንተገለጸ ምንጪ እቲ ገንዘብ ግን ኣይተፈልጠን ኢሉ። እንተኾነ እቲ ውልቀሰብ እቲ ዝተትሓዘ ገንዘቡ ንክምለሰሉ ናይ ምሕታት መሰል ዘለዎ ኮይኑ ኣቐዲሙ ግን ምንጪ እቲ ገንዘብን ኣብ ምንታይ ዕላማ ዝውዕል'ዩ ዝብልን ክጻረ ኣለዎ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54162463"} {"headline":"ቦይንግ 737 ነፋሪት ኢንዶኔዥያ ዝወደቐትሉ ከባቢ ተፈሊጡ ተባሂሉ","content":"ናይታ ብቐዳም ካብ ርእሰ ከተማ ኢንዶኔዥያ ጃካርታ፡ ምስተልዓለት ኣብ ባሕሪ ዝወደቐት ቦይንግ 737 ነፋሪት መጓዓዝያ፡ ዝወደቐትሉ ከባቢ ከምዝተፈለጠ ሰበስልጣን እታ ሃገር ሓቢሮም። 62 ሰባት ሒዛ ናብ ምዕራባዊ ግዝኣት ካማንታን ዝተበገሰት'ዛ ነፋሪት መገዲ ኣየር ስሪዊጃያ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ደቒቓ እያ ካብ መቆጻጸሪ (ራዳር) ጠፊኣ። ሎሚ ሰንበት፡ ካብ መኽዘን ሓበሬታ እታ ነፋሪት ዝምንጩ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝተባህለ ደሃይ ኤሌክቶኒካዊ ምልክታት ተረኺቡ ኣሎ። ልዕሊ 10 መራኽብን ሓምበስትን እውን ናብቲ ካባቢ ተዋፊሮም ከምዘለዉ ተገሊጹ። ሓላፊ ትካል ኣለሻን ምድሓንን ኢንዶኔዥያ ባጉስ ፑሩሂቶ \"ኣብ ክልተ ቦታታት ምልክታት ረኺብና ኣለና፤ ናይቲ ጸሊም መኽዘን ሓበሬታ ክኸውን ይኽእል እዩ\" ክብል ሓቢሩ። ተመራመርቲ ድማ፡ ኣካላት እታ ዝወደቐት ነፋሪት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝተባህሉ ቁርጽራጽ ሓጻውን ይምርምሩ ከምዘለዉ ሓቢሮም። ካብቲ ኣላሺ ትካል ክልተ ሳናጡ ከምዝተቐበሉ ዝገለጸ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ጃካርታ ዩስሪ ዩኑስ፡ እቲ ሓደ ሳንጣ ንብረት ተጓዓዝቲ ዝሓዘ ከምዝኾነን እቲ ካልእ ድማ ኣካላት እታ ነፋሪት ዝሓዘ ከምዝኾነን ብምግላጽ ይምርምሩዎም ከምዘለዉ ተዛሪቡ። እታ ዝወደቐት ነፋሪት ካብተን ብምኽንያት ዘጋጠሙ ክልተ ከበድቲ ሓደጋታት ካብ መጋቢት 2019 ጀሚረን ጠጠው ክብላ ዝተገበራ ቦይንግ 737 ማክስ ኣይኮነትን። ሰዓት 7፡36 ጂኤምቲ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ጃካርታ ዝተልዓለት ነፋሪት መጓዓዝያ ስሪዊጃያ፡ ምስተቖጻጸርቲ ድሕሪ ኣርባዕተ ደቒቓ ናይ መወዳእታ ርክብ ከምዝገበረት ሚኒስትሪ መጓዓዝያ እታ ሃገር ይገልጽ። እታ ነፋሪት ዝኾነ ጸገም ከምዘጋጠማ ዝሕብር ምልክት ከምዘይለኣኸት ድማ ሓላፊ ሃገራዊ ትካል ህይወት ምድሓንን ኣለሻን ማርሻል ባጉስ ፑሩሂቶ ይሕብር፡፡ በረራታት ዝከታተል ፈላይትራዳር24 ድማ እታ ነፋሪት ሓደ ደቒቕ ኣብዘይመልእ እዋን ኣስታት 3ሽሕ ሜትሮ ንታሕቲ ከምዝወረደት ይግምት፡፡ መሰኻኽር ዓይኒ እውን ብውሑድ ሓደ ነትጒ ከምዝሰምዑ ተዛሪቦም እዮም። ሓደ ገፋፊ ዓሳ፡ እታ ነፋሪት ከም መብረቕ ናብቲ ባሕሪ ከምዝወደቐትን ኣብቲ ውሽጢ ማይ ሓያል ነትጒ ከምዝሰምዐን ተዛሪቡ። ‘‘ ኣብ ጥቓና እያ ወዲቓ፤ ዕንጸይቲ ዝመስሉ ስብርባራት ድማ ነታ መርከበይ ንስሎ ስሒቶምዋ፡፡’’ ኣብታ 130 ሰባት ናይ ምጽዓን ዓቕሚ ዘለዋ ነፋሪት፡ 7 ቆልዑትን 3 ህጻናትን ዝርከቡዎም 50 ተሳፈርትን 12 ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪትን ከምዝነበሩ ሰበስልጣን ኢንዶኔዥያ ይገልጹ፡፡ እቶም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ሰባት ኩሎም ኢንዶኔዥያውያን ክኾኑ ከለዉ፡ ኣዝማዶም ኣብ ሓያል ጭንቀት ኮይኖም ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ፖንቲያናክን ጃካርታን ክጽበዩዎም ተራእዮም እዮም፡፡ ያማን ዛይ ዝተባህለ ሰብኣይ ድማ ‘‘ ኣርባዕተ ኣባላት ስድራይ ኣብታ ነፋሪት ነይሮም፤ በዓልቲ ቤተይን ሰለስተ ደቀይን’’ ብምባል እናበኸየ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ፡፡ እታ ነፋሪት 26 ዓመት ዝገበረት፡ ቦይንግ 737-500 ከምዝኾነት ሰነዳዊ መረዳእታኣ የመልክት። ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝነበረት ዝገልጽ ሓላፊ መገዲ ኣየር ስሪዊጃያ፡ ጀፈርሰን ኢርዊን፡ ብምኽንያት ሓያል ዝናብ 30 ደቒቓ ዘንጊዓ ከምዝተልዓለት ተዛሪቡ። እታ ነፋሪት 20 ኪሜ ምስተጉዓዘት፡ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ 2018 ሓደጋ ነፋሪት ዘጋጠመሉ ከባቢ ጠፊኣ። ኣብታ ጥቅምቲ 2018፡ ምስተበገሰት ድሕሪ 12 ደቒቓ ናብ ባሕሪ ዝወደቐት ነፋሪት፡ 189 ሰባት ሞይቶም እዮም። እቲ ሓደጋ ካብቶም ንነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ ካብ ስራሕ ክእገዳ ዝገበሩ ሓደጋታት ሓደ እዩ ነይሩ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55608506"} {"headline":"መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ዘጓዓዓዞ ወታሃደራዊ ብረታት ሕጋዊ ክብል ግብረመልሲ ሂቡ","content":"ብመገዲ ኣይር ኢትዮጵያ ተጻዒኑ ናብ ሱዳን ምስኣተወ ኣብ ቁጽጽር ውዒሉ ዝነበረ 70 ሳንዱቕ ወተሃደራዊ ብረት ናይ ኣጽዋር መሸጣ ፍቓድ ብዘለዎ ትካል ብሕጋዊ መገዲ ዝተጽዓነ ምዃኑ ከምዘረጋገጸ ሚኒስተር ውሽጢ ዓዲ ሱዳን ኣፍሊጡ፡፡ እቲ ካብ ኢትዮጵያ ዝተጓዓዓዘ ኣጽዋር፡ ኣንጻር ሱዳን ገበን ንምፍጻም ተባሂሉ ዝኣተወ ክኸውን ይኽእል እዩ ብዝብል ጥርጣረ ሰበስልጣን ሱዳን ኣብ ቀይዲ ኣእትዮምዎ ከምዝነበሩ ንመንግስታዊ ማዕከን ዜና ሱዳን ሱና ጠቒሱ ሮይተርስ ጸብጺቡ ነይሩ፡፡ እንተኾነ ሚኒስተር ውሽጢ ዓዲ ሱዳን ብዝገበሮ ምጽራይ፡ እቲ 290 ጠበናጁ ዝርከቦ ጽዕነት ዋንነቱ ፡ ዋኢል ሻምስ ኢልዲን፡ ናይ ዝተባህለ መሳርሒ ኲናት ናይ ምሻጥ ፍቓድ ዘለዎ ትካል ከምዝኾነን ብዝተኻየደ ምጽራይ ሕጋዊ ኮይኑ ከምዝተረኸበ ሮይተርስ ጸብጺቡ፡፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ ናይ ሱዳን ኣገልግሎት ዜና [ሱና] ዝወጽአ 'ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ግዒዙ' ዝተብሃለ ኣጽዋር ውግእ ብዝምልከት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ እውን \"ንሃድን ዝውዕል ወተሃደራዊ ኣጽዋራት ምግዓዝ ሕጋዊን ንግዳውን ንጥፍታት እዩ\" ዝበለ እቲ መገዲ ኣየር፡ ምስ'ቲ ተቐባሊ ኣድላይ ናይ ሰነዳት መረዳእታት ከምዘለዎ'ውን ኣፍሊጡ። ሱዳን ግን ኣብ ጉዳይ እቲ ‘ብነፋሪት መገዲ ኣየር ተጻዒኑ ናብ ካርቱም ኣትዩ’ ዝተባሃለ ኣጸዋር ምጽራይ ክተካይድ ምጅማራ ኣፍሊጣ ነይራ። ወኪል ዜና ሱዳን - ሱና እቲ ካብ ኢትዮጵያ ብነፋሪት ተጻዒኑ ናብ ካርቱም ዝኣተወ ኣጽዋር “ኣብ ልዕሊ መንግስቲ [ሱዳን] ገበን ንምፍጻን” ክውዕሉ ከምዝተሓሰቡ ይጥርጠር ኢሉ ነይሩ። እቲ 'ናይ ሃደን ኣጽዋር' ዝበሎ ክሳብ ዝጻረ ንነዊሕ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣባበን ብሓይልታት ጸጥታ ተታሒዙ ምጽንሑን ዝገልጽ እቲ መገዲ ኣየር ግን፡ እቲ ወናኒ ንብረት ኣብ ቤት ፍርዲ ሱዳን ክሲ ብምምስራት፡ ንብረቱ ከረክቦ ወይድማ 250 ሽሕ ዶላር ካሕሳ ክኸፍል ከምዝሓተቶን ይገልጽ። እቲ መገዲ ኣየር፡ ሕዚ እቲ ከይዲ ምጽራይ ከምዝተዛዘመ ካብ ሓለፍቲ ጸጥታ ፍቓድ ስለዝረኸብኩ እየ ኣግዒዘዮ ይብል። \"ካብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዝተጽሐፈ ደብዳበ ሓዊሱ፡ ኣድላይ ዘበለ ናይ ሰነድ መረዳእታ ኣለና\" ዝበለ ኮይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ዝተጠቕሰ ደብዳበ ካብ ወገን ሱዳን ዝተረኽበ ሓበሬታ የለን። ንስርዓት ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣል-በሽር ንምዕናው ዝቖመ ኮሚቴ፤ ኣብ ጉዳይ እቶም ኣጽዋር ምጽራይ ከካይድ ሓላፍነት ተዋሂብዎ ኣሎ። እቲ ኮሚቴ እንታይ ኢሉ ነይሩ? እቲ ኣጽዋር መበገሲኡ ኣዲስ ኣበባ ብምግባር ቀዳም ምሸት ብነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ካርቱም ምስበጽሐ ብሰብመዚ ጉምሩክ ከምዝተትሓ ነቲ ኮሜቴ ብምጥቃስ ሱና ጸብጺቡ። እቶም ሎሚ ኣብ ሱዳን ዝተትሓዙ ብረታት ኣብ ወርሒ ግንቦት 2011 ዓ.ም (2019) ካብ ሞስኮ-ሩስያ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተዉ’ውን ኣፍሊጡ። ኣል-በሽር ካብ ስልጣን ምስተወገደ ዝቖመ ኮሚቴ፤ እቶም ኣጽዋራት ኣብ ኢትዮጵያ ንኽልተ ዓመታት ዝኣክል እዋን ምስጸንሑ፡ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሱዳን ዝኾነ ሓበሬታ ከይሃበ ብሲቪል ነፋሪት ናብ ካርቱም ክጸዓኑ ገይሩ’ሎ” ክብል ምኽሳሱ ጸብጻብ ሱና ሓቢሩ ነይሩ። ኣብ ውሽጢ 72 ሳናዱቕ ዝተዓሸጉ ኣጽዋር ኣብ ጸልማት እዋን ክትርእይ ዘኽእሉ ወተሃደራዊ መነጸራት’ውን ከምዝተረኸቦም ተገሊጹ። ናብ ካርቱም ዝኣተዉ ኣጽዋር “ንዴሞክራሲያዊ ስግግር ሱዳን ንምትዕንቓፍን ሲቪላዊ ስግግር መንግስቲ ከይህልውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ገበን ንምፍጻም” ኣብ ረብሓ ክውዕሉ ዝኽእሉ ምንባሮም እቲ ኮሚቴ ጥርጣርኡ ምግላጹ ማዕኸን ዜና ሱና ገሊጹ ነይሩ። ዝሓርፈፈ ርክብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ክልትኤን ሃገራት ብምኽንያት ‘ይግባኣኒ’ ዝብልኦም መሬታትን ህንጸት ዓብዪ ግድብ ህዳሰን ኣብ ወጥሪ ከምዝርከባን እቲ ወጥሪ ይረስን ከምዘሎን ይፍለጥ። ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ ኣብ ኣል-ፋሽቃ [ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን] ንዝነበረ ሰራዊታ ምስኣልዐለት ሱዳን ነቲ ቦታ ተቖጻጺራቶ ትርከብ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን ነቲ መሬት ገዲፋ ክትወጽእ ብተደጋጋሚ ክሓትት’ኳ እንተጸንሑ ሰበስልጣን ሱዳን ግን “እቲ መሬት ናትና’ዩ” ብዝብል ከምዘይወጽኡ ኣረጊጾም ይዛረቡ። ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ከኣ ኣብ ከባቢ ኣልፋሽቃ ዝሃነጽዎም መሰረተ-ልምዓት (ትሕተ-ቅርጺ) ከምዘመረቑ ይፍለጥ። ኢትዮጵያ ብወገና ኣብዚ ቕነ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ህንጸት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ንምትእጉጓል ካብ ሱዳን ክኣትው ዝፈተነ ሓይሊ ህወሓት ከምዝሰምሰሱ ገሊጻ ነይራ። ላዕለዋይ መኮነን ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝኾነ ኮሎኔል ሰይፈ ኢንጊ፤ እቲ ብሱዳን ገይሩ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ዝተባሃለ ሓይሊ ንህንጸት እቲ ግድብ ዘተኣጓጉል መጥቃዕቲ ንምፍናው ዓሊሙ ምንባሩ ተዛሪቡ። እቲ ሓይሊ ጸረ ሰብን ጸረ ተሽከርከርትን ንምጽዋድ ፈቲኑ ምንባሩ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ከምዝገለጸ ይዝከር። እተኾነ መንግስቲ ሱዳን ነዚ ክሲ ብምንጻግ፤ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ውሽጣዊ ጸገማታ ናብ ቅልውላው ከምዝኣተወት ኣፍሊጡ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58460387"} {"headline":"ቅልውላው ኢትዮጵያን ትግራይን፡ ተዓጽዩ ዝጸንሐ ክሊ ኣየር ሰሜን ኢትዮጵያ ከምዝተኸፍተ ሲቪል ኣቬሽን ኣፍሊጡ","content":"ብሰንከ'ቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ወታሃደራዊ ግጭት፡ ተዓጽዩ ዝጸንሐ ሰሜናዊ ክሊ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ንበረራታት ውሽጢ ዓድን ወጻኢን ከምዝተኸፍተ ብዓልመዚ ሲቪል ኣቬሽን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። \"ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከብ ክሊ ኣየር ካብ ሰኑይ 14 ታሕሳስ፡ ካብ ሰዓት 2 ናይ ቀትሪ ጀሚሩ\" ከምዝተኸፍተ፡ ዋና ዳይረክተር ሲቪል ኣቬሽን ኢትዮጵያ ኮለነል ወሰንየለህ ሁነኛው ንቢቢሲ ሓቢሩ። እቲ ስጉምቲ፡ ነፈርቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከቡ መዓርፎ ነፈርቲ ክዓልባ፡ ከምኡ'ውን ዓለምለኻውያን ነፈርቲ'ውን በቲ ክሊ ኣየር ክሓልፋ ዝገብር ምዃኑ እቲ ብዓልስልጣን ገሊጹ። ብሰንኪ ምዕጻው እቲ ክሊ ኣየር፡ ነፈርቲ ተዃሊለን ክበራ ተገዲደን ምጽንሐን'ውን ጠቒሱ። እቲ ክሊ ኣየር ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር'ዩ ንዝኾነ በረራታት ብወግዒ ተዓጽዩ። ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ድማ፡ መዓርፎታት ነፈርቲ ክልል ትግራይ ከምዝተዓጽወ እቲ ትካል ኣፍሊጡ። ኣብ ዝቐጸሉ መዓልታትን ሳምንታትን ድማ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብቲ ክልል ደብዳባት ከካይድ ጸኒሑ። ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ ኣብ ልዕሊ መዓርፎ ነፈርቲ ባህርዳርን ጎንደርን ተደጋጋሚ ናይ ሚሳይላት መጥቃዕቲ ኣካይዶም። ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ድሕሪ ምቁጽጻሩ፡ ስርሒታቱ ከምዝወደአ'ኳ እንተ ተገለጸ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ሓሓሊፉ ውግኣት ይካየድ ከምዘሎ ይግለጽ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55310113"} {"headline":"ካፒቴን ተስፋይ ኣምባየ፡ ኣብ 45 ዓመታት፡ 27 ሽሕ ሰዓታት ተጓዒዙ","content":"ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ን45 ዓመታት ፓይለት ኰይኑ ዝሰርሕ ዘሎ፡ ካፒቴን ተስፋይ ኣምባየ፡ ውልቀ ህይወቱ፣ ዓሚቝ ፍልጠቱ፣ ተጓንፎታቱን ሞያዊ ልምዱን ኣካፊሉና ኣሎ። ካፕቴን ተስፋይ ኣምባየ፡ ብተወሳኺ ሓላፊ መምርሒ ክፍሊ በረራ ኮይኑ እውን ንሓሙሽተ ዓመታት ኣገልጊሉ እዩ። ወላዲኡ ኣብ ዘበነ ሃይለስላሰ ኣብ ቦጅሩንድ (ሚኒስትሪ ገንዘብ) ሹም ኣታዊ ውሽጢ ዓዲ ስለ ዝነበሩ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብምዛዋር ይሰርሑ ነበሩ። ንሱ ድማ ኣብ ራያ ከተማ ማይጨው ተወሊዱ። ወላዲኡ ብስራሕ ስለ ዝዛወሩ፡ ኣብ ካልኣይ ክፍሊ ምስበፀሐ ድማ ናብ ተንብየን ዓብዪ ዓዲ ከይዱ። ኣብ ዓብዪ ዓዲ ክሳብ 4ይ ክፍሊ ተማሂሩ። ብድሕሪኡ ድማ ወላዲኡ ብዕብየት ስራሕ ናብ መቐለ ተዛዊሮም፤ ኣብ መቐለ ኣብ ቤት ትምህርቲ መሰረተ ትምህርቱ ቀፀለ። ካልኣይ ብርኪ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሃፀይ ዮሃንስ ተማሂሩ ሃገራዊ ፈተና ብፅቡቕ ውፅኢት ሓሊፉ። ብ1966 ዓ.ም ናብ ኣዲስ ኣበባ ድማ ከደ። እቲ ግዜ ንጉስ ሃይለስላሰ ወዲቖም ግዚያዊ ወታሃደራዊ መንግስቲ ስልጣን ዝሓዘሉ ወቕቲ እዩ ነይሩ። ካብ ትምህርቲ ቦዅሩ ምስ ሓዉ ኣብ ገዛ ኮፍ በለ። ሓደ መዓልቲ፡ ወዲ ጎረቤቶም፡ ንፓይለት ስልጠና ዝሓትት ምልክታ ወፂኡ ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ኣምፀአ። ተስፋይ ብዙሕ ባህ ኣየበሎን፡ ግን ካብ ኮፍ ምባል ዘይፍትን ኢሉ ተመዝገበ። ካብቶም ዝተመዝገቡ 600 መናእሰይ ተፃርዮም እንተሓደጉ፡ ኣብ መወዳእታ ብመንፊት ዝሓለፉ 8 ጥራይ ተቝፂሮም። ካብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ዝተረፈት ዲሲ ስሪ (ዳኮታ) ዝዓይነታ ነፋሪት ምዝዋር ጀሚሩ። ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ንሓደ ዓመት ሓጋዚ ኮይንካ ኢዩ ዝፅናሕ፤ ፀኒሑ። ኣብዚ ሕዚ እዋን 'ትሪፕል ሰቨን' (ቦይንግ 777) ዝዓይነታ ነፋሪት የሐምብብ ኣሎ። ከም ወዮ ቅሙጥስያ ሰማይ ቀረባኡ ከምዝበሃል፡ ነፋሪት ሰማይ ምዝዋር ኣፀጋሚ ኣይኰነን፤ ሓደ ግዜ እንተተኣዚዛ ባዕላ ሸደድ ኢላ እያ ትዕዘር፤ ኣብ ምብጋስን ምዕላብን እዩ ፈታኒ እንትበሃል ንሰምዕ። እዚ ዘረባ'ዚ ሓቅነት ከምዘለዎ 'ካፒቴን' ተስፋይ ይምስክር። 'ኣውቶ ፓይለት' ዝበሃል ሜላ ኣሎ። ነዊሕ መገዲ ብኣእዳውካ ምዝዋር ስለዘድክም፡ ባዕላ ከምትኸይድ ምእዛዝ ይከኣል እዩ። ነገር ግን ንፀጋም ወይ ንየማን ዘውር ዝብል መልእኽቲ ኣብ ዝሰማዕኻሉ ብኣእዳውካ ምትንካፍ ኣይተርፍን። ኣብተን ዓበይቲ ነፈርቲ ግን ዳርጋ 90 ኢድ ሚኢታዊት ኣብ ባይታ እዩ ዝውዳእ፤ ኩሉ ትእዛዝ መሊእኻ ኢኻ ንሰማይ ትሕምበብ፡ ደሓር ምቁፅፃር እዩ እምበር ተማእዚዛ እያ ትኸይድ። እታ ዓባይ እንብላ ነፋሪት 400 ሰባት ኣሳፊራ እሞ ድማ መምስ ሻናጥኦም ተዳዕኒና ግን ድማ ኣብ ሰማይ ብዘይ መደገፊ ከመይ ኣቢላ ሰፈፍ ኢላ ክትከይድ ክኢላ? ዝብል የተሓታትት እዩ። ካፒቴን ተስፋይ ሓደ እዋን ኣብዱል ዝብሃል መሓዝኡ ዝነገሮ ተጓንፎ ይገልጽ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቈልዑ ገዛውቲ፡ \"ነፋሪት እባ ከመይ ኢላ እያ ትነፍር?\" ኢሎም ብምሕታት ይካትዑ ነበሩ። ገሊኦም ብሳላ መንፈራ ኢያ ሰፈፍ ትብል ይብሉ፤ ገሊኦም ድማ ብሞተራ እባ ይብሉ። ኣብ መንጉኡ ንቶም ኣብ ጥቓኦም ዝነበሩ ሽምግል ዝበሉ ዋርድያ ንሕተቶም ኢሎም ከዱ። እቶም ዋርድያ ኩሉ ነገር እፈልጥ እየ በሃሊ እዮም። እቶም ቈልዑ ቅርብ ኢሎም ሓተትዎም። ኩሎም ዘቕረብዎ መካትዒ ሓሳቦም እውን ነገርዎም። ሰብኣይ ትቕብል ኣቢሎም \"ኩልኹም ኣይትፈልጥዎን፤ ክልተ ጋኔናት ኣለዉ፤ እቲ ሓደ ናይ መሬት እቲ ካልኣይ ድማ ናይ ሰማይ ጋኔን ይበሃሉ። እቲ ናይ መሬት ጋኔን ካብ መሬት ኣሐምቢቡ የበግሳ እሞ፡ ናዓ እንካ ተቐበል ኢሉ ነቲ ናይ ሰማይ የረክቦ። ጋኔን ሒዙዋ ሰማይ ንሰማይ ይዕዘር፤ ክትዓልብ እንከላ በል ንስኻ ድማ ተቐበለኒ ኢሉ ነቲ ናይ መሬት የቐብሎ፡ ኣብ ዘይትፈልጥዎ ነገር ኣይትካትዑ\" ኢሎም መልሲ ሃቡ። ናብቲ ቅዉምነገር እንትንምለስ፡ ብመሰረት ሞያዊ መብርሂ ካፒቴን ተስፋይ ኣምባየ፡ እቲ ምሽጥር ኣብ ሞተርን ኣብ መንፈር እታ ኣውሮፕላን ዝህሉ ሕጊ 'ኤሮ ዳይናሚክስ' ምዃኑ ምፍላጥ ይከኣል። ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሓደ ካፒቴን ቅድሚ ሎሚ፡ ኣብ 60 ዓመቱ ጥሮታ ይወፅእ ነይሩ። ደሓር ኣብ 65 ዓመታት ክኸውን ኣለዎ ተባሂሉ። ስለዝዀነ እምበኣር፡ ካፒቴን ተስፋይ ኣምኣየ ኣብዛ ሒዝናያ ዘለና ወርሒ ጥቅምቲ 65 ዓመቱ መሊኡ፡ ብጥሮታ ነፋሪት ካብ ምዝዋር ዕረፍቲ ክገብር እዩ። 45 ዓመታት ብዘይምቁራፅ ነፋሪት ኣብሪሩ። ኣብ ውሽጢ 45 ዓመታት፡ 27 ሽሕ ሰዓታት ተጓዒዙ ልዕሊ 100 ሃገራት ረጊፁ። \"ኣነ ልዕሊ ዕድመይ እየ ዝነብር ዘለኹ፤ ዳርጋ ናይ ካልእ ሰብ ዕድመ እየ ዝነብር ዘለኹ ኢለ እሓስብ። ምኽንያቱ ሓደ ሰብ ኣብታ ዘላቶ ዕድመ፡ ዝተወሰኑ ነገራት ጥራይ እዩ ክገብር ዝኽእል። ኣነ ግን ካብቲ ዝተወስነ ነገራት ንላዕሊ ስለዝረኣኹ፡ ካብቲ ዝተፈቐደለይ ዕድመ ንላዕሊ ዝነበርኩ ይመስለኒ\" ይብል ካፒቴን ተስፋይ። ሓደ ሓደ እዋን፡ እቲ ኢትዮጵያ ምስ ማዕበለት ድሕሪ 50 ዓመታት ክትበፅሖ ዝግመት ኣብ ካልእ ሃገር ስለዝርእዮ፡ እቶም ኣብ ሃገርና ዘለዉ ሰባት ክሳብ ዝርእይዎስ ኣነ ኣቐዲመ ርእየዮ ኣለኹ ዝብል ስምዒት ይሓድሮ። ወግሐ ፀብሐ ካብ ገዛ ናብ ስራሕ ኢልካ ወፂእኻ፡ ናብ ሰማይ ምድያብ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። \"ዝርደአካ ቤተሰብ ክህልው ኣለዎ፤ ካብታ ዘላትካ ግዜ ቆንጢርካ ድማ ምስ ቤተሰብ ከተሕልፍ ኣለካ። ከምቲ ናይ ካልእ ሰብ እውን ማሕበራዊ ህይወትካ ዝተረጋገአ ኣይኸውንን። ኩሉነገር ሕማቕን ፅቡቕን ጎንታት ኣለዎ ኢልካ ትሓስብ እሞ ትቕበሎ\" ይብል። ኣብ ውሽጢ 45 ዓመታት ወላ ብጣዕሚ ብዙሕ ፀገማት እንተጓነፎ፡ እዚ እዩ ዝበሃል ዝኸፈአ ሓደጋ ግን ኣይበፀሖን፤ እኳ ደኣስ ንባዕሉ ሓደ ካብቶም ዕድለኛታት ገይሩ ይቘፅር። ሓደ ሞተር ምጥፋእ ዳርጋ ልሙድ እዩ። ሓደ መዓልቲ ካፒቴን ተስፋይ ኣምባየ ነፋሪት ኣሕምቢቡ ይለዓል። ሸውዓተ ደቓይቕ ምስተጓዓዙ ኣብ ዘይቲ ሞተር ዋዒ ይፍጠር እሞ ዘይቲ ይጐድል። እቲ ሓበሬታ ካብ ሓጋዚኡ እዩ ሰሚዒዎ። ብድሕሪኡ ምልክት መጠንቀቕታ ቀይሕ እንተይበርሀ ሞተር ኣጥፊኦምዎ። ካብ ክልተ ሞተር ሓንቲ እንተጠፊኣ ጉዕዞ ምቕፃል ዝበሃል ኣይሕሰብን። ቅልጥፍ ኢሎም ናብታ ዝነበርዋ ናብ ባይታ ተመሊሶም። ብኸምዚ ህይወት ብዙሓት ድሒኑ። \"ኣብ ሰማይ እንተለኻ ሓንቲ ሞተር እንተጠፊኡ ቀሊል እዩ፤ ነፋሪት ካብ ባይታ ንኽትለዓል ኣብ ትገብሮ ናህሪ ሞተር እንተጠፊኡ ግን ከቢድ እዩ። ኣብ መወዳእታ 'ኪድ ኣይትኺድ' ትበሃል ፃት ኣላ። ኣብታ ቅፅበት እቲኣ ወላ ሞተር ይጥፋእ ደው ምባል ኣይሕሰብን፤ ብግድን ካብ ባይታ ክትለዓል ኣለካ። ምስተለዓልካ ግን ኣይትቕፅልን፤ ዘይርካ ብቕልጡፍ ናብ ባይታ ክትምለስ ኣለካ። እዚ ግን ሓልሓሊፉ ዘጓንፍ ፀገም እዩ። ከምቲ ኣብ መኪና ዘጓንፍ ኣብ ጉዕዞኻ ነዳዲ ናይ ምውዳእ ቀይሕ ምልክት ምርኣይ ብስሩ ኣየዛልቕን። ኩሉ ምድላው ኣብ ባይታ ስለዝውገን እኹል መሐለውታ ነዳዲ ሒዝካ ኢኻ ትጓዓዝ። ኣብዚ ሎሚ እዋን፡ ካብ መኪና ምዝዋር፡ ነፋሪት ምሕባብ ይቐልል፥ ካብ መኪና ዝያዳ ኣብ ነፋሪት ድሕንነትካ ዝተሓለወን ውሕሱን እዩ ይብል ካፒቴን ተስፋይ። ሕሉፍ ሓሊፉስ ኣብቲ ሎሚ በፂሕዎ ዘሎ ረቂቕ ቴክኖሎጂ መንገዲ ኣየር፡ ክልተ ነፈርቲ ከይላተማ፡ ኣቐዲሙ ዝሕብር ዘበናዊ ስርዓት ኣለወን። ክልቲኤን ተናቢበን እታ ሓንቲ ልዕል እታ ካልአይቲ ድማ ትሕት ኢለን ንኽመሓለፋ ዝነግር ቴክኖሎጂ ተግባራዊ ይኸውን ኣሎ። ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተቘፂሩ ዝሰርሕ ኣብራሪ በብሽድሽተ ኣዋርሕ፡ ናብ ምስለ በረራ ብግድነት ይኣትው። ናብ'ታ ኣብ መሬት ዘላ ነፋሪት ትኣትዉ እሞ ኣብ ሰማይ ዘለኻ ክሳብ ዝመስሎ ይሕንበብ። እቶም ከጓንፉ ዝኽእሉ ሓደጋታትን መፍትሒኦምን ብዝምልከት ይፍተን። ካብ'ኡ ብተወሳኺ በብሽድሽተ ኣዋርሕ፡ ጥዑይ ምዃንካን ዘይምዃንካን ንምርግጋፅ ሕክምናዊ መርመራ ይግበረልካ። ከምታ መርከብ ኣብ ባሕሪ ዘጓንፋ ማዕበል እሞ እናተላገዐት ትጓዓዝ፤ ነፋሪት እውን ሓጐፅጐፅ የጓንፋ። ብሰንኪ ዋዕን ዛሕልን ንፋስ ዝፈጠር ሓጐፅጐፅ እዩ። መቸስ ፍርሒ ዘየምፅኦ የብሉን እሞ፡ ብዛዕባ ነፋሪትን ዘወርታን ብዙሕ እዩ ዝዝረብ። ክእለት ዘዋሪ ነፋሪት (ፓይለት) ኣብ ምልዓልን ምዕላብን እዩ ይበሃል። ብፍላይ ክትዓልብ እንከላ ሰተት ኣቢሉ ዘዕለበ ዘዋሪ፡ ንፉዕን ምኩርን ይበሃል። እንተደኣ ዱጭ ኣቢሉ ኣውዲቕዋ ግና ኣይመለኻን ማለት እዩ ዝበሃል ግምታዊ ዘረባ፡ ብዓይኒ በዓል ሞያ ከመይ ኰን ይረአ? \"መግለፂ ክኢላን ዘይክኢላን ኣይኰነን፤ መፈተኒ እውን ክኸውን ኣይኽእልን\" በለ ካፒቴን። ነፋሪት ብሃበተረኽበ ኣይኰነትን ትዓልብ፤ ኣበይ ክትዓልብ ከምዘለዋ ፍሉጥን ሕንፁፅን እዩ። ማቻ ዝህብ ኣተዓላልባ 'ስሙዝ ላንዲንግ' ክመርፅ ኢልካ ናብ ገደል ምእታው እውን ኣሎ። \"መመዘኒና ማቻ ይሃሉ ኣይሃሉ ብዘየገድስ፡ ኣብታ ክዓልበሉ ዝግባእ ዝተወሰነ ቦታ ተንኪፋ ዶስ ኣይተንከፈትን እዩ። ከምቲ ብልምዲ ዝርከብ ፅቡቕ ኣተዓላልባ፤ ዝተጋነነ ሓፍ ኮፍ እንተዀይኑ ድማ ካብ ልምዲ ምንኣስ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ\" 'ብላክ ቦክስ' ነፋሪት ተሓምሺሻ እንትበሃል፡ ከም ቁራዕ ሓበሬታ ተወሲዳ፡ ጠንቂ ምሕምሻሽ እታ ነፋሪት መረዳእታ ዝርከበላ ማዕኸን ምዃና ንሰምዕ። ካፒቴን ተስፋይ ኣምባየ \"ሰብ ቅድሚ ምሟቱ ተናዚዝዎ ዝኸይድ፤ ከምቲ እንታይ ኰን ሓዲጉ ከይዱ እንብሎ ዓይነት ገይርና ንውሰዶ። ብፍላይ ቅድሚ ምዕራፉ ኣብ ዝነበራ 30 ደቓይቕ እንታይ ኢሉ ይነብር ዝብል ሓበሬታ ዝህብ እዩ\" ይብል። 'ብላክ ቦክስ' ቅድሚ 30 ደቕይቕ ዝነበረ ሓበሬታ እናሓዘ እናጥፍአ እዩ ዝከይድ። ኣብታ ናይ መወዳእታ 30 ደቓይቕ ንዝነበረ ኩነት ዝመዝገቦ ሓበሬታ ትርኽበሎ ማዕከን እዩ። ኣብታ ነፋሪት ቅድሚ ሓደጋ ምብፅሑ፡ እንታይ እዩ ኣጓኒፉ? ድምፅን ዳታን እዩ ዝምዝግብ። ኣብቲ ድምፂ እቶም ዘወርቲ ነፋሪት እንታይ ይዘራረቡ ነይሮም ዝብል ቀሪፁ የፅንሕ። ኣብቲ ዳታ ድማ ብጣዕሚ ብዙሓት መረዳእታ መዝጊቡ ዝሕዝ እዩ። እዚ ኣገዳሲ መረዳእታ ዘፅንሕ 'ቁራዕ' ምእንቲ ብቐሊሉ ከይበላሾ ተባሂሉ ኣብ ጭራ እታ ነፋሪት እዩ ዝቕመጥ። ምክንያቱ እቲ ኣብ ከባቢ ጭራኣ ዘሎ ኣካል ካብ ሓደጋ ናይ ምትራፍ ዕድል ስለዘለዎ። ስለ'ዚ ክኢላታት ነታ መረዳእታ ዝቛፀረት ቁራዕ ወሲዶም መርመራ ብምክያድ ጠንቂ እቲ ሓደጋ ንኽፈልጡ ይሕግዞም። ሓደ ካፒቴን ዝፀረየ ስነ ምግባር ክህልዎ ይግባእ። ካፒቴን ኮይንካ ኣብ ትሰርሐሉ እዋን መስተ፣ ጫት፣ መዐወኒ እፅ ምውሳድ፣ ሽጋራ ምስታይ ዝኣመሰሉ፡ 'ውጉዝ ከም ኣርዮስ' እዩ። ስርዓት ኣመጋግብኡ ዝተሓለወ፣ እኩል ድቃስ ዝወስድን ግቡእ ኣካልዊ ምውስዋስ ዝገብርን ክኸውን ይግባእ። ስነ ምግባር ፓይለት ብዝግባእ ክትግበር ኣለዎ። መንገዲ ኣየር ኢዮጵያ ድማ፡ ኣብ መትከል ሓለዋ ስነ ምግባር ፓይለት ኣይዋገን ይብል ካፕቴን ተስፋይ። ብፅፈት ዝሰረሐ ዝሽለመሉን ዝዓበየሉን፡ ዘጥፈአ ብዘይንሕስያ ስጉምቲ ዝውሰደሉን ዓብዪ ትካል እዩ ይብል። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሓደጋ ብዙሕ ዘየጓንፎ፣ ብዙሓት ዝመርፅዎ፣ ውሕሱን ዘተኣማምንን ምዃን ድማ ብዙሓት ይምስክሩ። ነዚ ድማ ብቐዳምነት ዝስራዕ ስነ ምግባር ሰብ ሞያ እቲ ትካል ምዃኑ ካፒቴን ተስፋይ ይገልፅ። ኣብ ዘበነ ህይወቱ ከምቲ ሕጉስ ኰይኑ ሃገራት ዘቋርፀሉ፡ ከብዱ ዝበልዕ ሓዘን እውን ኣጓኒፍዎ እዩ። ኣብ ደሴት ኮሞሮስ ተጨውያ ዝተሓምሸሸት፣ ኣብ ቤይሩት ዘጓነፈ ሓደጋ የሕዝንዎ። ልዕሊ ኹሉ ግን ይብል፡ \"ኣብ ቀረባ ኣብ ደብረዘይት ዘጋጠመ ሓደጋ፡ እሞ ድማ እቶም ፓይለታት ወላ ሓንቲ ክገብሩ ብዘይምኽኣሎም ዘጓነፈ ምስ'ቲ ምዃኑ ካብ ከብድኻ ብቐሊሉ ዘይወፅእ ሓዘን እዩ ይብል። እቲ ዋና ፓይለት ምስ ካፒቴን ተስፋይ ተሓጋጋዚ ኰይኑ ይሰርሕ ምንባሩ ብምዝካር፡ ንመፃኢ ተስፋ ዝነበሮ ንፉዕን እርኑብን እዩ ነይሩ ብምባል ይገልፆ። ካፒቴን ተስፋይ መቸስ ኣብ ጉዕዞ 45 ዓመታት ምስ ክንደይ ፍሉጣት ሰባት ተራኺብካ ኢልካ ምሕታት ይኸብድ እዩ። ምስ ብዝሖም ዘይዝክሮም ስሙያትን ለባማትን ሰባት ተራኺቡን ኣብ ከይዲ ጉዕዝኡ ዘትዩን እዩ። ብፍላይ ምስ ነብስሄር ቀዳማይ ሚኒስትር መለስ ዜናዊ ሰለስተ ግዜ ዝኸውን ተራኺቦም። \"ምስ መለስ ተራኺብካ ምውጋዕ እናደለኻ ኰይኑ ግና መለስ መጽሓፍ እናንበበ ስለዝኸይድ፡ ንወግዒ ዝኸውን ዕድል ኣይርከብን። ሓደ እዋን ግን መጽሓፍ ኣቕምጥ ኣብ ዘብለላ ሒደት ደቒቕ ኣዛሪበዮ ነይረ\" ይብል። ካፒቴን ንመለስ እንትገልፆ፡ ወላ እውን ኣብ ጉዕዞ ኰይኑ ብዛዕባ ስራሕ ምሕታት ይመርፅ። ንኽተውግዖ ድማ ባህሪኡ ኣዝዩ ምቕሉል እዩ ይብል። ጅግና ሲኤን ኤን 2019 ፍረወይኒ መብራህቱ፡ ሓንቲ ካብቶም 10 ጀጋኑ ኰይና ኣብ ዝተሓረየትሉን ንናይ መወዳእታ ውፅኢት ናብ ኣመሪካ ኣብ ተምርሐሉን ግዜ ዋና ካፒቴን ኰይኑ ነፋሪት ሒዙ ጎፍንጎፍ ተራኺቦም። ካብ ኣዲስ ኣበባ ብዳብሊን ኣየርላንድ ኣቢላ ናብ ዋሽንግተን ኣብ ትጓዓዝ ነፋሪት፤ ክሳብ ዳብሊን ባዕሉ ሒዙ ካብ ዳብሊን ክሳብ ዋሽንግተን ድማ ከም ተጓዓዛይ ኰይኑ ስለዝኸደ ምስ ፍረወይኒ ተላልዮም፤ ብዙሕ ኣዋጊዖም። ብስም መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ንፍረወይንን ስድራኣን ልዑል ክብሪ ብምሃብ ፍረወይኒ ምሉእ ዓወት ንኽትረክብ ሰናይ ትምኒቱ ገሊፁላ። ኣብ መወዳእታ ድማ ቀዳመይቲ ኰይና ዓወት ምጽምባላ ሰሚዑ፡ ዝተኣማመነላ እኳ እንተነበረ ዝያዳ ልዑል ሓበን ተሰሚዕዎ። ካፒቴን ተስፋይ ነፋሪት ካብ ቦሌ ኣዲስ ኣበባ ኣበጊሱ፡ ኣጋይሽ ኣሳፊሩ ናብ ቦምበይ ህንዲ ይሕምበቡ ኣለዉ። ካብ ምዕራብ ኣፍሪካ ዝተሳፈሩ ብዙሓት ገያሾ ነይሮም። ኣብ ወያ ነፋሪት ሓደ ህንዳዊ ምስ ናይጀራዊ ተባኢሶም፡ ሕልኮን ቅልስን ክጅምሩ እንትብሉ፡ ካፒቴን ገላገሎም። እቲ ናይጀራዊ \"ደሓን ናብ ቦምበይ ንብፃሕ እሞ ከርእየካ እየ\" ኢሉ ተሓነየ። ኣብ ውሽጢ ነፋሪት ሽንኩርሒት ዝገጥም ጥራይ እንተይኰነስ ሰኺሩ 'ላልምባየ ላሎ' ዝደርፍ መሊኡ። ኣብ መንጎ ብር ኣቢሉ ኣሕልፉኒ ክወርድ እየ ኢሉ ብሓዞ ትሰዶ ኮፍ ዝብል: ንእሽተ ተበላሽያ ኣላ ኣዐሪናያ ክንቅፅል ኢና እንተኢልካ፡ ኣነ ቀደሙ እውን ነብሰይ ነጊሩኒ እዩ ኣእጋረይ ይሰበራ ደጊመ ኣይሳፈርን ዝብል የጓንፍ። ካፒቴን ተስፋይ ኣምባየ፡ ኣብ 45 ዓመታት ዝረኣዮም ተጓንፎታት ኣብ ሓፂር ግዜ ተዛሪብካ ኣይውዳእን። ደጊም ብጥሮታ ተሰናቢቱ፡ ባይታ ሒዙ ልምዱ ንመናእሰይ ዘሕልፈሉ ግዜ ክህልዎ እዩ። ታሪኹ ንምስናድ እውን መዲቡ ኣሎ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54520156"} {"headline":"ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ሌጎስ ካብ መሐንበቢ መስመር ወጺኣ ከምዝነበረት ተገሊፁ","content":"ካብ መሐንበቢ መስመር ወጺኣ ዝነበረት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ስራሕ ከም ዝተመለሰት ተገሊፁ። ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቁፅሪ በረራ ኢቲ 3905 ኣብ ናይጄርያ መዓርፎ ነፈርቲ ሌጎስ ምስ በፅሐት፡ ናብ መዕረፊኣ እናኸደት እንከላ ካብ መሐንበቢ መስመር መንገዲ ወጺኣ ከም ዝነበረት ተገሊፁ። ናብ ካርጎ (ፅዕነት) ተቐይራ ዝነበረት ገዛፍ ነፋሪት ገየሽቲ ቦይንግ 777-300 እቲ ክስተት ምስ ኣጋጠማ ናብ ስርሓ ከም ዝተመለሰት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣረጋጊፁ። እቲ መገዲ ኣየር ከም ዝገለፆ፡ እታ ነፋሪት ካብ ኣዲስኣበባ ናብ ሌጎስ ፅዕነት ሒዛ ምስ ተጓዓዘት፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሌጎስ ብምዕላብ፡ ናብ መዕረፊ ክተምርሕ ከላ ብፀገማይ ክንፊ እታ ነፋሪት ዝርከብ ጎማ፡ ካብቲ ኣስፓልቲ ወጺኡ። እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ዝተዘርገሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ድማ ፀጋማይ ጎማ እታ ነፋሪት፡ ኣብ ጭቃ ተረግሪጉ የርእይ። በዚ ምኽንያት እቲ መገዲ ኣየር ዘውፅኦ መግለፂ፡ እታ ነፋሪት ዝኾነ ዓይነት ጉድኣት ከይበፅሓ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተመለሰት ሓቢሩ። እቲ መገዲ ኣየር ሰራሕተኛታት መዓርፎ ነፈርቲ ሌጎስ ንዝገበርዎ ድጋፍ ኣመስጊኑ፤ እንተኾነ እታ ነፋሪት ካብቲ ኣስፓልቲ ክትወፅእ ዝገበራ ምኽንያት ኣይገለፀን። 'ፍላይት ግሎባል' ዝተብሃለ ድረ ገፅ ድማ፡ እዚ ክስተት ምስ ኣጋጠመ፡ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ዝነበረ ሓበሬታ ሜትሮሎጂ፡ ዝኾነ ዓይነት ዘፀግም ኩነታት ኣየር ምንባሩ ኣየርኣየን ኢሉ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ቁፅሪ ገየሽቲ ብምንካዩ፡ ብዙሓት ነፈርቲ ተጉዓዝቲ ፅዕነት ከግዕዛ ከም ዝቐየረን ክገልፅ ፀኒሑ እዩ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57354663"} {"headline":"ታይዋን፡ ብሓደጋ ባቡር ብውሕዱ 50 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ሓንቲ ኣስታተ 500 ሰባት ጽዒና ዝነበረት ባቡር ተጋጭያ ካብ ሓዲድ ወጺኣ ናብ ሓደ ገለርያ ስለዝኣተወት ኣብታ ባቡር ካብ ዝነበሩ ብውሕዱ 50 ሰባት ከምዝሞቱ ተፈሊጡ። ነቶም በታ ባቡር ተጸቒጦም ዘለዉ ኣብ ምውጻእ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን እታ ሃገር ዓሰርተታት ብኸቢድን ፎኵስን ዝተሃረሙ ሰባት ኣውጺኦም ምህላዎም ብምግላጽ ናብቲ ዝያዳ ተጨፋሊቑ ዘሎ ባጎኒ ናይታ ባቡር ንምእታው ፈተነታት የካይዱ ምህላዎም ተገሊጹ። እታ ሸሞንተ ተጎተትቲ ባጎንታት ዘለዋ ናይ ህዝቢ መጎዓዓዚት ባቡር፡ ካብ ሓዲዳ ወጺኣ ምስ ሓደ ህንጻ ድሕሪ ምግጫዋ እያ ናብ ገለርያ ኣትያ። እታ ካብ ርእሰ ከተማ ታይፐይ ናብ ራይቱንግ ትጓዓዝ ዝነበረት ባቡር ቀዳመ ሰንበትን ዓመታዊ በዓልን ከሕልፉ ዝገሹ ዝነበሩ ሰባት እያ ሒዛ ነይራ። እታ ባቡር መሊኣ ስለዝነበረት ብዙሓት ሰባት ደው ኢሎም ይኸዱ ምንባሮም'ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። እታ ዘመናዊት ባቡር ኣብ ስዓት ክሳብ 130 ኪሎሜተር ክትጉዓዝ ትኽእል ኮይና ሓንቲ ካብ ፈጣናትን ድሕነተን ዝተሓለወን ተሃቢለን ዝግለጻ ባቡራት ህዝባውያን መጓዓዝያ እያ። እቲ ናይ መወዳእታ ካብ ሃገራዊ ድሕነት ባርዕ ታይዋን ተዋሂቡ ዘሎ ጸብጻብ፡ ኣብታ ባቡር 490 ሰባት ከምዝነበሩን ካብኦም 48 ከምዝሞቱን 66 ከምዝተሃሰዩን ዝገልጽ እዩ። እቲ ጸብጻብ ብምስዓብ ካብተን ብዙሕ ዘይተሃሰያ ዝብሃላ ኣርባዕተ ተጎተትቲ ባጎኒታት 100 ሰባት ብህይወቶም ከምዝደሓኑን ኣብተን ዝያዳ ተሃስየንን ዘለዋ ባጎኒታት ግን 200 ዝኾኑ ሰባት ኣብ ውሽጢ ከምዘለዉን ንምድሓኖም ጻዕርታት ይግበር ከምዘሎን እዩ ዝገልጽ። እቲ ሓደጋ ብኣቖጻጽራ እቲ ኸባቢ ሎሚ ሰዓት 9 ናይ ንግሆ እዩ ኣጋጢሙ። ፕረዚደንት ታይዋን ትሳይ ኢንግ ወን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ \"ነቶም ኣብ ውሽጢ ተቓቒሮም ዘለዉ ምድሓንን ምውጻእን ቀዳምነት እንሰርዖ እዩ\" ኢሉ። ማዕከናት ዜና እታ ሃገር መራሒ እታ ባቡር ካብቶም ዝሞቱ ምዃኑ ገሊጸን ኣለዋ። እታ ባቡር ካብ ሓዲዳ ንኽንትወጽእ ምኽንያት ዝኾነ ነገር እንታይ ምዃኑ ኣብ ምጽራይ እዩ ዘሎ። ሓንቲ ካብቶም ብህይወት ዝወጽኡ ጓል ኣንስተይቲ ንማዕከን ዜና ዩዲኤን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ \"ሃንደበት ከምዚ ዓቢ ምፍንጃር ዘጋጠመ ኮይኑ ተሰሚዑኒ በቲ ገልጠምጠም ኸኣ ናብ ባይታ ናይታ ባቡር ወዲቐ፡ ብድሕሪ እዚ ነቲ ፊኒስተራ ናይታ ባቡር ሰይርና ናብ ልዕሊ እታ ባቡር ወጺእና\" ኢላ። እዚ ሎሚ ኣብ ታይዋን ዘጋጠመ ሓደጋ ባቡር ኣብታ ሃገር እቲ ዝኸፈአ ሓደጋ ባቡር ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ። ኣብ ታይዋን ኣብ 2018 ብዘጋጠመ ሓደጋ ባቡር 18 ሰባት ምሟቶም ይዝከር። እታ ደሴታዊት ሃገር ዝኾነት ታይዋን ኣብ 1991 እውን ብሰንኪ ምግጫው ክልተ ባቡራት 30 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 112 ሰባት ቆሲሎም ነይሮም።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56614075"} {"headline":"ተቖጻጻሪ ኣቭየሽን ኤውሮጳ፡ ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ ውሑሳት እየን ኢሉ","content":"ሓላፊ ትካል ውሕስነት ኣቭየሽን ኤውሮጳ፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት፡ ነፈርቲ 'ቦይንግ 737 ማክስ' ሕጂ ንበረራ ውሑሳት ኮይነን ኣለዋ ኢሉ። ፓትሪክ ካይ ከምዝበሎ፡ ትካሉ ነተን ነፈርቲ ብዕምቆት ከምዝገምገመ እዩ ገሊጹ። ነፈርቲ 'ቦይንግ 737 ማክስ' ካብ መጋቢት 2019 ጀሚረን ካብ በረራ ተኣጊደን ምጽንሐን ዝዝከር እዩ። እዚ ድማ፡ በዘን ዓይነት ነፈርቲ ክልተ ሓደጋታት ብምግጣሙን፡ 346 ሰባት ድሕሪ ምሟቶምን እዩ ነይሩ። 'ቦይንግ 737 ማክስ' ነፈርቲ ኣብ ኣመሪካን ብራዚልን ዳግም ናብ በረራ ክምለሳ ከምዝተፈቐደለን ይፍለጥ። ሕጂ ድማ፡ ኣብ ኤውሮጳ ካብ መፋርቕ ጥሪ ጀሚሩ ዳግም በረራ ክጅምራ፡ እቲ ንድሕነት ኣቭየሽን ኤውሮጳ ዝቆጻጸር ትካል ከፍቅደለን ትጽቢት ኣሎ። በዘን ነፈርቲ ዘጋጠመ ፈላማይ ሓደጋ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2018 ዘጋጠመ ኾይኑ፡ ብ 'ላየን ኤር' እትውነን ነፋሪት ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኢንዶኒዥያ ምውዳቓ ይዝከር። ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ድማ፡ ናይ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነፋሪት፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ምስተበገሰት ብዙሕ ከይጸንሐት ምውዳቓ ይፍለጥ። ክልቲኡ ሓደጋታት ድማ፡ ብምኽንያት ኣብ ናይ'ታ ነፋሪት ናይ በረራ መቆጻጸሪ ሶፍትዌር ብዘጋጠመ ጸገም ዝተፈጠረ ከምዝኾነ ተገሊጹ እዩ። እታ ናይ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነፋሪት ድሕሪ ምውዳቓ፡ እቲ ንድሕነት ኣቭየሽን ኤውሮጳ ዝቆጻጸር ትካል፡ ነዘን ዓይነት ነፈርቲ ብዕምቆት ክግምግመንን ከጽነዐንን እዩ ጸኒሑ። ትካል ውሕስነት ኣቭየሽን ኣመሪካ'ውን ብወገኑ ናይ ባዕለ ተመሳሳሊ መስርሕ ከካየድ ጸኒሑ እዩ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55394022"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ነፋሪት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ወዲቓ","content":"ነፋሪት ሕቡራት ሃገራት፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ወረዳ ኮምቦልቻ ከም ዝወደቐት ተገሊጹ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም እታ ነፋሪት ሰኑይ ድሕሪ ቐትሪ፡ ሰራሕተኛታት ወሃብቲ ረድኤት ጽዒና ካብ ጅጅጋ ናብ ድሬዳዋ እናበረረት እንከላ ከም ዝወደቐት ገሊጹ። እቲ ትካል ኣብታ ነፋሪት ክልተ ሰራሕተኛታት ውሃብቲ ረድኤትን ሓደ ኣብራርን ተሓጋጋዚኡን ብሓፈሻ ኣርባዕተ ሰባት ከም ዝነበሩን በቲ ሓደጋ ከቢድ ዝብሃል ኣካላዊ መጉዳእቲ ከም ዘይበጸሖምን ጠቂሱ። እቲ ትካል ብምስዓብ ኣርባዕቲኦም ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ሕክምናዊ መርመራን ናብዮትን ይግበረሎም ከም ዘሎ ሓቢሩ። ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ርክባት ዞባ ምብራቕ ሃገርጌ ወረዳ ኮምቦልቻ፡ ብወገኑ እታ ነፋሪት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ቄረንሳ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቀበሌ ከም ዝወደቐት ኣፍሊጡ። እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ናይ ፌስ ቡክ ገጹ ምስሊ ናይታ ዝወደቐት ነፋሪት ኣሰንዩ ብምውጻእ፡ ኣብታ ነፋሪት ካብ ዝነበሩ ኣርባዕተ ሰባት ኣብቲ ሓደ መጠናዊ መጉዳእቲ ከጋጥም እንከሎ ኣብቶም ሰለስተ ግን ዝኾነ ዘጋጠመ መጉዳእቲ ከም ዘየለ ሓቢሩ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም እታ ብኣገልግሎት በረራ ኣቢሲንያ እትውነን ነፋሪት ዝወቀደቐትሉ ምኽንያት የጻሪ ከም ዘሎ ትማሊ ኣማስይኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ ኣሎ። እቲ ትካል ብምስዓብ እቲ መርመራ ብኣገልግሎት በረራ ኣቢሲንያ፣ ብፕሮግራም መግቢ ዓለም ብብዓል መዚ ኣቭየሽን ክካድ ምዃኑ'ውን ጠቂሱ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57994547"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ 'ኣጽዋር ውግእ ኣይጽዓንኩን' ኢሉ","content":"መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ናብ'ታ ብኲናት ትሕመስ ዘላ ትግራይ ኣጽዋር ውግእን ወተሃደራት መንግስትን ኣመላሊሱ ዝብሉ ጸብጻባት 'ኣይወዓልኩዎምን' ክብል ነጺጉ። እቲ መገዲ ኣየር፡ ናብቲ ክልል ዝግበሩ ተቛሪጾም ዝነበሩ በረራታት ምስ ተኸፍቱ ሲቪል ሰባት ጥራይ ከም ዘመላለሰ ኣብ መግለጺኡ ኣብሪሁ። ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 [ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ] ኣብ ትግራይ ኲናት ምጅማሩ ስዒቡ፡ ካብን ናብን'ቲ ክልል ዝግበሩ በረራታት ጠጠው ኢሎም ምንባሮም ዝዝከር እዩ። እቲ በረራ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2020 መሊሱ'ኳ እንተጀመረ፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ድማ ሓይልታት ትግራይ ንመቐለን ካልኦት ከባቢታትን ትግራይን ምስ ተቖጻጸሩ ዳግም ጠጠው ኢሉ'ዩ። እቲ መንገዲ ኣየር ከም ዝብሎ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ናብቲ ክልል ዝኾነ በረራ ኣካይዱ ከም ዘይፈልጥ ኣረዲኡ። ዓለም ለኸ ሕጊታት ሲቪል ኣቬሽን ብምጥሓስ ናብ'ቲ ኲናት ዝካየደሉ ከባቢ ኣጽዋርን ወተሃደራትን ኣመላሊሱ ዝብሉ ብኣሳእል ዝተደገፉ ክስታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክቕርብሉ ምጽንሖም ይፍለጥ። እቲ መገዲ ኣየር ግን፡ እቶም ከምዚ ዓይነት ጸብጻባት ንስም እቲ መገዲ ኣየር ከጸልሙ ካብ ዝህቅኑ ሰባት ዝመጽኡ ዘለው'ዮም ብምባል ጠቐነ እዩ ክብል ነጺጉዎ። እቶም ወተሃደራዊ ክዳን ኢትዮጵያ ገይሮም ምስ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተልዓሉ ኣሳእል ድማ፡ ናይ ቀደም ከም ዝኾኑን ናብቲ ተጻብኦታት ዘለዎ ከባቢ፡ ወተሃዳራት ኣመላሊሱ ከም ዘይፈልጥን'ውን ሓቢሩ። ካብ 22 ግንቦት 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ጀሚሩ ናብ ትግራይ ዝኾነ ዓይነት በረራ ከይህሉ ዝተኸልከለ ኮይኑ፡ መንግስቲ ሰብኣዊ ረድኤት ከቕርቡ ንዝደልዩ ፍቓድ ከም ዝህብን በረራታት'ውን ካብ 28 ሰነ 2013 ጀሚሩ ከም ዝጀመሩን ገሊጹ ነይሩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ በረራታት ሰብኣዊ ረድኤት ንክገብር'ኳ እንተተፈቐደሉ፡ እቲ ትካል ግን ድሕሪ እታ ናይ መጀመርታ በረራ ካልእ ፍቓድ ኣይረኸብኩን ይብል። መንግስቲ ብፍሉይ ሰብኣዊ በረራታት ቅድሚ ምክያዶም፡ ናይ በረራ ቑጽሪ፣ ዓይነት ነፋሪት፣ ዕላማ በረራ፣ ዝርዝር ተጉዓዝትን ጽዕነትን ዝገልጽ መረዳእታ ክቐርብ ከም ዘለዎ ምግላጹ ይዝከር። ብተወሳኺ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝለዓላን ዝመጽኣን ነፈርቲ፣ ብናይ ጽዕነት ነፈርቲ፣ ተጉዓዝቲ፣ ሰራሕተኛታትን ፍተሻን መርመራን ክግበረሎም ዝእዝዝ መምርሒ'ዩ ኣዳልዩ። ከምኡ'ውን ገዘፍቲ ናይ ጽዕነት ነፈርቲ ዝምልከት ክኽፈቱ ዝግብኦም እንተኾይኑ እዚ'ውን ተግባራዊ ክኸውንን ስሩዕን ደረጅኡ ዝሓለወን ተፍትሽ ክግበር እዩ ይብል። ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት 'ናብ መቐለ ኣገደስቲ ኣፋውስ ምውሳድ ተኸልኪለ' ምባሉ ይዝከር። ኣብዚ በረራ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ መንግስታዊ ዘይኮኑ ዓለምለኻዊ ትካላትን ሓዊሱ 34 ሰራሕተኛታት ረድኤት ከም ዝነበሩ እቲ መግለጺ ይሕብር። ኣብ ትግራይ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ንነጀው ልዕሊ 2.1 ሚልዮን ነበርቲ እቲ ክልል ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም'ዮም። ኣብ ሱዳን ልዕሊ 67 ሽሕ ሰባት ዕቑባ ክሓቱ እንከለው፡ ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ኣብ ኣፍ ዓጸቦ ኣለው ተባሂሉ ይስጋእ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ መንግስቲ ኣብቲ ክልል ዝተቛረጹ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክመልስን ኩሉ ዓይነት ኣገልግሎት መጓዓዝያ ክኽፈትን ጻውዒት ይቐርበሉ ኣሎ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57898742"} {"headline":"መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 44 ሚልዮን ዶላር መኽሰብ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ","content":"መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ናይ ምትዕጽጻፍ ስጉምቲ ስለዝተወስደ ካብቲ ክወርዶ ዝኽእል ዝነበረ ሓደጋ ከምዝደሓነ ዋና ኣፈጻሚ ስራሕ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም ተዛሪቡ። ንሱ ንኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዋላ'ኳ እቲ መገዲ ኣየር ናይ ሓደ ቢልዮን ክሳራ እንተጋጠሞ፡ ሰራሕተኛታቱ ዓቂቡ ዘለዎ ዕዳ እናኸፈለ፡ 44 ሚልዮን ዶላር መኽሰብ ረኺቡ ኢሉ። እቲ ዝዓበየ መንገዲ ኣየር ኣፍሪቃ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዓለምለኻዊ መገሻታት ብ90 ሚእታዊት ድሕሪ ምጉዳሉ፡ 45 ናይ መጓዓዝያ ነፈርቱ፡ ናብ ናይ ጽዕነት ብቕያር፡ ናይ ካርጎ ኣገልግሎታቱ ኣዕብይዎ። ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን ናውቲ ምክልኻል ኮቪድ-19 ኣዝዩ ዝድለየሉ ስለዝነበረ ነቲ ጠለብ ዕዳጋ ኣብ ረብሕኡ ብምውዓል፡ ናብ ኣውሮጳ፣ ደቡብ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ብዙሕ ንብረት ከበጻጽሕ ከምዝኸኣለ ኣይተ ተወልደ ገሊጹ። ጠለብ ዕዳጋ እናወሰኸ ብምምጽኡ ድማ እተን ዝነበርኦ ነፍርቲ ጽዕነት እኹላት ክኾና፡ ነተን ነፈርቲ መጓዓዝያ መንበረን ብምልዓል ብቕልጡፍ ናብ ናይ ካርጎ ክቕየራ ተገይሩ። ኣብዚ እዋን ብዙሓት መገዲ ኣየራት ዓለም ብሰንኪ ኮቪድ-19 በረራታተን ከቋርጻ ብምግዳደን ከቢድ ክሳራታት ኣጋጢምወን ይርከብ። ገለ ካብኣን ድማ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ሰራሕተኛታተን ከፋንዋ ተገዲደን ኣለዋ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 1945 ብጸሃይ ሃይለስላሰ ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ዘመናውነት ንምትእትታውን ብድኽነት ዝልለ ሕማቕ ምስሊ እታ ሃገር ንምቕያርን ዝዓለመ ምንባሩ ይዝረብ። ናይ ፈለማ በረራ ድማ ኣብቲ ዓመት ብኣስመራ ገይሩ ናብ ካይሮ ኣብጺሑ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብቑጽርታት","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/54337838"} {"headline":"ቦይንግ 737 ማክስ: ነፋሪት መገዲ እየር ካናዳ ሃንደበት ክትዓልብ ተገዲዳ","content":"ነፋሪት መገዲ ኣየር ካናዳ ዝኾነት ቦይንግ 737 ማክስ ብሰንኪ ዘጋጠማ ናይ ሞተረ ብልሽት ሃንደበት ክትዓልብ ከም እተገደደት፡ እቲ መገዲ ኣየር ሓቢሩ። እታ ብዓርቢ ካብ ግዝኣት ኣሪዞና ኣሜሪካ ናብ ሞንትሪያል ካናዳ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት ድሕሪ ምብጋሳ ከይጸንሐት ከም ዝዓለበት ኣየር ካናዳ ገሊጹ። ኣብታ ነፋሪት ሰለስተ ሰራሕተኛታት ዝነበሩ ኮይኖም ብሰላም ምዕላባ ተፈሊጡ። ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ፡ ድሕሪ ዘጋጠመን ክልተ ሓደጋታት: ኣብ 2019 ካብ በረራ ተኣጊደን ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ወርሒ እየን ክበርራ ፍቓድ ረኺበን። ኣብቲ ኣብ ውሽጢ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ፍልልይ ኣብ ኢንዶኔዥያን ኢትዮጵያን ዘጋጠመ ምውዳቕ እተን ነፈርቲ 346 ሰባት ሞይቶም እዮም። እቲ ሓደጋታት፡ ኤምካስ ምስ ዝበሃል ሶፍትዌር እተን ነፈርቲ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ተፈሊጡ እዩ። እቲ ንኣውቶማቲካዊ በረራ ዘገልግል ሶፍትዌር ነተን ነፈርቲ ብኣፍንጭአን ከንቆልቁላ ከም ዝገብር ይግለጽ። ኣየር ካናዳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ኣብረርቲ፡ ኣብ ሓደ ሞቶር ጸግም ከም ዘሎ መልእኽቲ ምስ በጽሖም፡ ነቲ ሞተር ብምጥፋእ መገዶም ናብ ታስከን ኣሪዞና ገጾም ከም ዝቐየሩ ሓቢሩ። እታ ገያሾ ዘይነበርዋ ነፋሪት ካብ ተዓሺጋትሉ ዝጸንሐት ስፍራ እያ ተበጊሳ ናብ ሞንትርያል ትበርር ነይራ። ድሕሪ እቲ ዘጋጠመ ክልተ ሓደጋታት፡ ቦይንግ ኣብ ልዕሊ ነፈርቲ 737 ማክስ ንምምሕያሽ እቲ ናይ በረራ መቆጻጸሪ ሶፍትዌር ዝርከቦም ብዙሕ ምምሕያሻት ከም ዝገበረ ይግለጽ። ነፋሪት ቦይንግ 737 ማክስ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ብራዚል እያ ገያሾ ጽዒና ዳግም ናብ በረራ ተመሊሳ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55453510"} {"headline":"ብኮቪድ-19 በረራታት ኣብ ዝነከየሉ 2020፡ ቁጽሪ ብሓደጋ ነፈርቲ ዝሞቱ ሰባት ወሲኹ","content":"ብምኽንያት ለበዳኮሮናቫይረስ በረራታት ኣብ ዝነከየሉ 2020፡ ብዙሓት ሰባት ብሓደጋ ንግዳዊ ነፈርቲ ከምዝሞቱ ኣማኻሪ ትካል መገዲ ኣየር ገሊጹ። ኣብ 2019 በዝሒ ኣብ ዝወደቓ ንግዳዊ ነፈርቲ ዝሞቱ ሰባት 257 ዝነበረ እንትኾን፡ ኣብቲ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ በረራታት ኣዐርዩ ዝቐነሰሉ ዝተወደአ ዓመት 2020 ግና 299 ሰባት ኣብ ሓደጋ ንግዳዊ ነፈርቲ ከምዝሞቱ ደች ኣቬሽን ኮንሱልታንሲ ቱ70 ዝተብሃለ ትካል ኣፍሊጡ። በዝሒ በረራታት ዝምዝግብ ፍላይት ራዳር 24፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንግዳዊ በረራታት ብ 42 ምኢታዊት ከምዝነከየ ይገልጽ። ቱ70 ተወቒዓ ኣብ ዝወደቐት ንግዳዊ ነፈሪት ሓዊሱ ዘጋጠመ ሞት ከምዝመዝገበ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ብወታሃደራት ኢራን ተወቒዓ ኣብ ዝወደቐት ነፋሪት ዩክሬን 176 ሰባት ምሟቶም ይዝከር። ኢራን ንቤተሰብ ሕድሕድ ግዳይ፡ 150 ሽሕ ዶላር ክትከፍል ተሊማ ኣላ። ኣብቲ ዓመት ኣብ ፓኪስታን ከተማ ካራቺ፡ ኣብ ነፋሪት መገዲ ኣየር ፓኪስታን ብዘጋጠመ ሓደጋ 98 ሰባት ሞይቶም እዮም። ኣብ 2019 ዘጋጠመ በዝሒ ሓደጋታት ነፈርቲ 86 ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብ 2020 ግን እቲ በዝሒ ናብ 40 ከምዝወረደ ዝገልጽ ቱ70፡ እቶም ሓሙሽተ ትራሕ ከበድቲ ሓደጋታት ከምዝነበሩ ገሊጹ። ማእከላይ በዝሒ ከበድቲ ሓደጋታት 2020፡ ምስ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ዝነበረ መጠን ተመሳሳሊ ከምዝኮነ ዝሓበረ እቲ ኣማኻሪ መገዲ ኣየራት፡ ምቁራጽ በረራታት ኣብ ዓቕሚ ኣብረርቲ ዓብዪ ጽልዋ ከምዘለዎ ብምሕባር ስሩዕ ብረራታት ምስተጀመሩ ዓቕሚ ኣብረርቲ ፈታኒ ጉዳይ ክኾን ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ። ንመገዲ ኣየራት እቲ ካብ ሓደጋታት ውሑስ ዓመት 2017 እዩ ነይሩ። ኣብ ንግዳዊ ነፈርቲ ከቢድ ሓደጋ ዘየጓነፈ እንትኾን፡ ኣብ ክልተ ጄታትብዘጋጠመ ሓደጋ 13 ሰባት ሞይቶም እኦም።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55520374"} {"headline":"ኤየርባስ፡ ብሃይድሮጅን ዝሰርሓ ትኪ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዘፍሪ ገሊጹ","content":"ዓርሞሸሽ መፍረ ነፈርቲ ኤየርባስ ናይ መጀመርታ ብሃይድሮጅን ዝሰርሓ ትኪ ኣልቦ ነፈርቲ መጓዓዝያ ነዲፉ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። እተን ነፈርቲ ኣብ 2035 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ኣብ ስራሕ ክዋፈራ ውጥን ኣውጺኡ ይዓዪ ከም ዘሎን ሓቢሩ። ላዕለዋይ ሓላፊ ኤየርባስ ጉይላመ ፋውሪ እቲ ውጥን ኣብ ታሪኽ ነፈርቲ መጓዓዝያ 'ታሪኻዊ' እዩ ኢሉ። እቲ ሓላፊ ብምስዓብ እዘን ነፈርቲ ሃይድሮጅን ስለ ዝጥቀማ እቲ ካብ ነፈርቲ ዝስዕብ ዝነበረ ብከላ ኣየር ብዓብዪ ክጎድል ከም ዝኾነ እዩ ዝሕብር። ተመራመርቲ ግን ብሃይድሮጅን ዝሰርሓ ነፍርቲ ክትሰርሕ ምሕሳብ ሓዲሽ ሓሳብ ከም ዘይኮነ’ዮም ዝገልጹ። ኤየርባስ ግን እዘን ነፈርቲ ንምስራሕ ሰለስተ ዓይነት ንድፊ ኣዳልዩ ከም ዘሎ እዩ ዝሕብር። 200 ተሳፈርቲ ሒዛ ክሳብ 2000 ማይልስ ክትጉዓዝ ትኽእል‘ቱርቦፋን'፣ ፍርቂ ተሳፈርቲ ናይ ቱርቦፋን ክትሕዝ ትኽእል 'ቱርቦፕሮፕ’፣ እታ ሳልሰይቲ ድማ ‘ብለንድድ ዊንግ ቦዲ’ ኢሉ ሰምይወን ኣሎ። እዘን ሰለስተ ንድፍታት ነፈርቲ፡ ኩለን ፈሳሲ ሃይድሮጅን ዝወስዳ ኮይነን ካብቲ ሃይድሮጅ ዝፍጠሩ ዋህዮታት ድማ ነተን ነፈርቲ ኤሌክትሪካዊ ጽዓት ከመንጭዉ’ዮም። እንተኾነ እዘን ነፈርቲ ብቅልጡፍ ናብ መዓላ ንኽውዕላ፡ መዓርፎ ነፈርቲ መምልኢ ሃይድሮጅን ዝኸውን ትሕተ ቅርጺ ከተኣታትዋ ከም ዘድሊ ላዕለዋይ ሓላፊ ኤየርባስ ጉይላመ ፋውሪ ሓቢሩ። \"ብሃይድሮጅን ዝሰርሓ ነፈርቲ ንምትእትታው ኩለን መንግዲ ኣየራትን መዓርፎ ነፈርትን ወሳኒ ዝኾነ ስጉምቲ ክወስዳ ከድልየን እዩ\" ይብል።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54245729"} {"headline":"ድሕሪ ሓደጋ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተኣጊዳ ዝጸንሐት ቦይንግ 737 ማክስ ነፋሪት በረራ ጀሚራ","content":"እታ ንኣስታት ክልተ ዓመት ካብ ስራሕ ደው ኢላ ዝጸንሐት ስራሓት ቦይን ዝኾነት 737 ማክስ ዝዓይነታ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት በረራ ጀሚራ። እታ ነፋሪት፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ መጋቢት 2019 ዘጋጠመ ሓደጋ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዓዲ ውዒል ኮይና'ያ ጸኒሓ። ብራዚላዊ መንገዲ ኣየር ጎል፡ ነታ ነፋሪት ናብ በረራ ዘዋፈረ ፈላሚ መንገዲ ኣየር ኮይኑ'ሎ። ብረቡዕ 9 ታሕሳስ 2020፡ ተጓዓዝቲ ዝሓዘት ቦይንግ 737 ማክስ ካብ ቀንዲ መደበር ናይቲ መንገዲ ኣየር ዝኾነት ንግዳዊት ከተማ ሳኦፓውሎ ናብ ፖርቶ ኣለግረ ብሰላም በሪራ። እቲ መንገዲ ኣየር ኣቐዲሙ ከምዝሓበሮ፡ 140 ኣብረርቱ፡ ምስታ ምምሕያሽ ክግበረላ ዝጸንሐ ነፋሪት ንምልላይ ኣድላዪ ስልጠና ወሲዶም ኣለዉ። ዛጊት፡ ኣመሪካን ብራዚልን ጥራይ'የን እታ ነፋሪት ናብ ሰማያት ክትምለስ ኣፍቂደን ዘለዋ። እቲ ኣብ ብራዚል ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ ናይ ውሽጢ ዓዲ መንገዲ ኣየር ጎል፡ 5 ቦይንግ 737 ማክስ ዝዓይነተን ነፈርቲ ኣለወኦ። ካልኦት 95 ኣዚዙ ከምዘሎ'ውን ኣረጋጊጹ። ድሕሪ'ቲ ሂወት 346 ሰባት ዝቐዘፈ ኣብ ኢንዶነዥያን ኢትዮጵያን ዘጋጠመ ተመሳሳሊ ሓደጋታት፡ ኩባንያ ቦይንግ ናይታ ነፋሪት በረራታት ደው ከብል ተገዲዱ'ዩ። ኣብቲ ጠንቂ ናይቲ ሓደጋታት ምዃኑ ዝተነግረሉ፡ ስርዓተ ምቁጽጻርን ካልእን ኣገዳሲ ምምሕያሻትን ምዕራይን ክግበር ምጽንሑ ይፍለጥ። ሓላፊ ምውፋር፡ መንገዲ ኣየር ጎል፡ ሰልሶ ፈረር፡ ድሕሪ'ቲ ዝተገብረላ ምምሕያሻት፡ ኣብ ብቕዓት ናይታ ነፋሪት ምሉእ እምነት ከምዘለዎ ተዛሪቡ። ተጓዓዝቲ ዓማዊሉ በታ ነፋሪት ክጓዓዙ ምስ ዘይደልዩ፡ ብዘይ ዝኾነ ተወሳኺ ወጻኢ፡ ናብ ካልእ በረራታት ክሰጋገሩ ከምዝኽእሉ'ውን እቲ ትካል ንኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ሓቢሩ። እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ነታ ነፋሪት ካብ በረራ ደው ኣቢልዋ ይርከብ። ምጅማር በረራ ናይታ ነፋሪት፡ ነቲ ዓቢ ክሳራ ዘጋጠሞ ኩባንያ ቦይንግ ዓቢ ብስራት እዩ ተባሂሉ ኣሎ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55252480"} {"headline":"ሲያራ ብእተሰምየ ህቡቡላዊ ንፋስ በረራ ተሰናኺሉ","content":"ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሲያራ ብእተሰምየ ህቦቡላዊ ንፋስ ዝሰዓበ ሕማቕ ኩነታት ኣየር፡ ብዙሕ በረራ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ተቛሪጹ። ኣብዚ ቐዳመ ሰናብቲ ብዝናብ ዝተሰነየ ኣስታት 80 ኪሎሜትር ኣብ ሰዓት ዝሕምበብ ንፋስ ከምዘጋጥመ፡ ክፍሊ ሜትሮልዮጂ ዓዲ እንግሊዝ ሓቢሮም። ስለዝኾነ ተጓዓዝቲ ንመገሽኦም ዳግመ ግምት ክገብሩሉን ኣብ ጉዕዞ ፍጥነት ክቕንሱን፡ ክፍሊ መጓዓዝያ እታ ሃገር ኣተሓሳሲቡ። ናይ ግድን ዘይተርፍ መገሻ እንተኾይኑ ከኣ ሓደጋ ንምንካይ፡ ብባቡራት ክንቀሳቐሱ ይመክር። ምምሕዳር ሂትሮ (ዝዓበየ መዓልቦ ነፈርቲ ዓባይ ብሪጣንያ) ናይ ሎም መዓልቲ በረራ ነፈርቲ ንኩነታት ኣየር ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምስ መሻርኽቲ ተረዳዲኡ ከምዘመዓራርዮ ሓቢሩ። ብሪቲሽ ኤየር ወይስ ይኹን ቨርዢን ኤር ላይን፡ ድሮ ሓያሎ በረራታት ሰሪዞም ኣለው። ኣብ መላእ ዓባይ ብሪጣንያ ስኮትላንድ፡ ኣየርላንድ፡ ዌልሽን ኢንግላንድን ናይ ሃገራዊ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ ኣሎ። ብፍላይ ኣብ ገለ ክፋል ስኮትላንድ፡ ኣባይትን ትካላት ንግድን ዕልቕልቕ ከጋጥሞም ከምዝኽእል ተፈሪሑ ኣሎ። ክፍሊ ሜትሬዮሎጂ ናይ ጉዕዞ ምስንኻልን ምቁራጽ ሓይሊ ኤለትሪክን ከጋጥም ከምዝኽእል ሓቢሮም። ክፍሊ ምምሕዳር ባቡራት ዓባይ ብሪጣንያ ከኣ ኩለን ባቡራቱ ኣብ ሰዓት ካብ 50 ኪሎ ሜትር ንላዕሊ ፍጥነት ከይከዳ ኣጠንቂቑ ኣሎ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51432188"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ መገዲ ኣየር ኣሜሪካ 12 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ መንግስቲ ከምዘድልዮ ገሊጹ","content":"መገዲ ኣየር ኣሜሪካ፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ኣብ ዕዳግኡ ዘብጸሓሉ ሃስያ፡ ካብ መንግስቲ 12 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ክግበረሉ ከምዝደልይ ኣፍሊጡ። እቲ መገዲ ኣየር ንሰራሕተኛታቱ ብኢመይል ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ \"እዚ ሓገዝ፡ ኣብ መጻኢ ካብዚ ዝገደደ ሕሱም ኩነታት እንተጋጠመና'ውን በረራ ክንቕጽል ዝሕግዘና እዩ\" ኢሉ። እዚ ማለት ከኣ \"ኣብ ዝቕጽሉ ሽድሽተ ኣዋርሕ ብዘይድልየት ዝፍጸም ምንካይ ሰራሕተኛን መጠን ክፍሊት ኮነ ጥቕማጥቕሚ ኣይክህሉን ማለት'ዩ\" ክብል'ውን ኣብሪሁ። ሰራሕተኛታት \"ብፍቓዶም ዕረፍቲ ክወስዱን ዕድሚኦም ከይመልአ ጥሮታ ክወጽኡን\" ዕድል ከምዝወሃቦም እውን ገሊጹ'ሎ። እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2.9 ቢልዮን ከስቢ ዝረኸበ ኮይኑ፡ 1.3 ቢልዮን ዶላር ድማ ንሰብ ብርኪ (ብጽሒት) ኣከፋፊሉ እዩ። ኮንግረስ ኣሜሪካ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ነቲ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብ ቅልውላው ኣትዩ ዝርከብ ቁጠባ ኣመሪካ ንምድጋፍ፡ ናይ 2.2 ትሪልዮን ዶላር ድጋፍ ኣጽዲቑ እዩ። ካብዚ ድማ፡ እቲ 50 ቢልዮን ዶላር ንመገድታት ኣየር ዝወሃብ ኮይኑ ፍርቁ ብሓገዝ ፍርቁ ከኣ ብልቓሕ ዝወሃብ እዩ። እቲ ልቓሕ፡ እንተወሓደ ክሳብ 30 መስከረም ሰራሕተኛታት ዘይንክዩ እንተኾይኖም ዝወሃቦም እዩ። \"እዚ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣገልግሎት እቲ መገዲ ኣየር ንክቕጽልን ዕድላት ስራሕ ከይንክዩን ዝቐረበ እዩ። ስለዚ ካብዚ ሓገዝ ክንረባሕ ሕቶ ክነቕርብ ሓሳብ ኣለና።\" ኢሉ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ነናይቲ መገዲ ኣየር። ብዙሓት ሃገራት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምዐዕጋት፡ ካብ ወርሒ ለካቲት ጀሚረን በረራታት ደው ክብሉ ብምውሳነን፡ መገድታት ኣየር ብፋይናንሳዊ ቅልውላው ክህሰዩ ጀሚሮም እዮም።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52102423"} {"headline":"መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በረራታት መቐለ-ኣዲስ ኣበባ ሰሪዙ","content":"ብሰንኪ ጣቓ (ሓያል ዶሮና) መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ትማልን ሎምን ካብን ናብን ኣዲስ ኣበባ-መቐለ ዝግበሩ በረራታት ሰሪዙ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ 'ብሰንኪ ዘጸግም ኩነታት ኣየር' ካብን ናብን መቐለ፣ ላልይበላ፣ ጎንደር፣ ኣኽሱምን ሽረን ዝግበሩ በረራታት ከምዝሰረዘ ኣፍሊጡ'ሎ። ኣብ ትግራይ ኣብዞም ሰለስተ መዓልታት፡ ዘይልሙድ ሓያል ጣቓ ተራእዩ ከምዘሎ ኣብ መቐለ ዝርከብ ሪፖርተር ቢቢሲ ትግርኛ ተዓዚቡ። ብተመሳሳሊ ኣብ ሽረ፡ ኣኽሱምን ሑመራን እውን ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣትሒዙ በረራታት ተሰሪዙ ከምዘሎ ተጉዓዝቲ ንቢቢሲ ገሊጾም። ገለ ካብቶም ሎሚ መዓልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝግበር በረራ ዝተሰረዞም ተጉዓዝቲ፡ ንህጹጽ ስራሕ ብመኪና ከምዝጓዓዙ ንቢቢሲ ገሊጾም። ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሚቲዎሮሎጂ ዝርከብ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር፡ እቲ ዝተቛረጸ በረራታት ክቕጽል ከምዝግበር እቲ መገዲ ኣየር ይገልጽ። እንተኾነ፡ እቲ በረራታት ዝዓንቀፈ ኣጸጋሚ ኩነታት ኣየር፡ ንክልተ መዓልታት ክቕጽል ከምዝኽእል ሃገራዊ ኣገልግሎት ሚቲዎሮሎጂ ሓቢሩ'ሎ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51897497"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ኢትዯጵያ ዳግም ምጅማሩ እንታይ ሳዕቤን ይህልዎ?","content":"ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኢትዮጵያ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር፡ ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዘ ኣዊጃ። ክልተን ልዕሊኡን ዝኾኑ ሃይማኖታዊ፣ ፖለቲካዊ ወይ ካልእ ዓይነት ምትእኽኻባት፣ ናይ ኢድ ሰላምታ፣ ብዶባት ምውጻእን ምእታውን ዝተኸልከለ ምዃኑ ዝገልጹ እዚ 22 ነጥብታት ዝሓዘ ዝርዝር ኣዋጅ ህጹጽ ግዘ፡ \"ዝኾነ ናይ መጓዓዝያ ኣገልግሎት ዝህብ መኪና ልዕሊ ፍርቂ እቲ ዝሕዞ ወንበር ምጽዓን ክልኩል እዩ\" ይብል። በዚ መሰረት እቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዘ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ካብን ናብን ኣገልግሎት መጓዓዝያ ከም ዝቋረጽ እኳ እንተዘይገበረ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ግን ሚኒስቴር መጓዓዝያ ኢትዮጵያ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ብዝብል ክቋረጽ ገይሩ ነይሩ። እንተኾነ፡ ትማሊ ነቲ ውሳንኡ ብምልዓል፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተቛሪፁ ዝነበረ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ዳግም ከም ዝጀመረ ኣፍሊጡ። ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝህቡ ተሽከርከርቲ ፅሬቶም ብምሕላው ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝጽዕንዎ ብዝሒ ተሳፈርቲ 50 ሚኢታዊት ብምንካይ ኣገልግሎት ከም ዝህቡ'ውን ይገልጽ። ብኣንጻሩ፡ ካብ ካልኦት ክልላት እታ ሃገር ብዝተፈለየ ናይ ባዕሉ ኣዋጅ ህጹጽ ግዘ ኣዊጁ ዝንቀሳቐስ ዘሎ መንግስቲ ትግራይ፡ ንዝቕጽሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ዝጸንሕ ኣዋጅ ካብ ዝኾነ ይኹን ከባቢ ብመኪና ይኹን ነፋሪት ዝመጽኡ ተጓዓዝቲ ን14 መዓልታት ክውሸቡ፣ ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ድማ ካብን ናብን ከተማን ገጠርን ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቓስ ከም ዘይህሉ ገይሩ እዩ። ንፍቓድ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ፌደራል ዝቃወም ኣባል ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ለበዳኮሮናቫይረስ ትግራይ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ፡ እቲ ውሳነ ምውሳን እቲ እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ለበዳ ከየጋድዶ ከም ዝሰግእ ተዛሪቡ። ብዙሕ ሰብ ማሕበረ ቑጠባዊ ምንቅስቓሳቱ ንከሳልጥ ካብ ትግራይ ወጻኢ ዝርከብ እኳ እንተኾነ ናብቲ ክልል ኣትዩ ተወሺቡ ኣብ ዝጸንሐሎም መዓልታት ዘለው ወጻኢታቱ ዓርሱ ክሽፍን እዩ ዘገድድ። \"ሕጂ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝግበር ዘሎ መርመራ ኮሮናቫይረስ ይውሓድ ይብዛሕ መዓልታዊ በዚ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ይርከቡ ኣለው። ኣብቲ ሕብረሰተብ ዘሎ ደረጃ ምስፍሕፋሕ ንምፍላጥ'ውን እኹል ምርመራ ኣይተግበረን፤ እቲ ሕማም ድማ ኣብ ዝኾነ ሰብ ክህሉ ከም ዝኽእል ትግምት፤ ስለዚ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝብገስ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ምፍቃድ እቲ ሕማም ናብ ካልኦት ክልላት ክመሓላለፍ ይኽእል'ዩ\" ይብል። ኣብ ዝኾነ እዋን ከም መንግስቲ ማሕበረ ቑጠባዊ ምንቅስቓሳት ክትግድብን ክትዓጹን ዝኸብድ እኳ እንተኾነ፡ \"ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ዝርግሐ እዚ ለበዳ ንምቁጽጻር ክተወስዶ ዝግብኣካ ኣማራጺ ሓላፍነት ዝተመልኦ ክኸውን ኣለዎ\" ዝብል ኣቶ ኣማኑኤል፡ ግዝኡ ዝሓለወ ውሳነ ኣይኮነን ክብል ይነቕፎ \"ኣብ ሞንጎ ምሕማምን ምጥማይን ህዝቢ ኣብ ኢድካ ክወድቕ ከሎ፡ ካብቶም ክልተ ዝኸፍኡ እቲ ሓደ ዝሐሸ ክትመርጽ ይግብኣካ። ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ሕማም ተኸሲቱ ኣሎ፤ በዚ ምኽንያት ድማ ብደረጃ ፌደራል ኣገልግሎት መጓዓዝያ ደው ክብል ተወሲኑ ነይሩ። ነዚ ምኽንያት ዝኾነ ሕማም ድማ ሕጂ'ውን ስግኣት'ዩ። ዝተቐየረ ነገር የለን\" ኢሉ። ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ማእኸል ለበዳ ኮሮናቫይረስ እዮም ኣብ ዝበልኦም ከባብታተን፡ ካብን ናብን መገሻታት ብምዕፃው እቲ ቫይረስ ዝላብዐሉ ናህሪ ክንቆጻጸር የኽእለና'ዩ ዝበልኦም ስጉምትታት ይወስዳ ኣለዋ። ትማሊ ክሳብ ዝነበረ ሓበሬታ ሚኒስቴር ጥዕና ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ሰባት 92 በጺሑ ኣሎ። መዓልታዊ ቑጽሪ ግዳያት ኣብ ዝውስኸሉን እዋን፡ ህዝቢ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ክጓዓዝ ምፍቃድ፡ እቲ ቫይረስ ናብ ካልኦት ከባቢታት ክላባዕ፣ ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ንክውስኽ ምኽንያት ኣይኸውንን'ዶ ዝበልናዮ ንዳይሬክተር በዓልመዚ መጓዓዝያ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣብዲሳ ያደታ፡ ከምኡ ዓይነት ገምጋም ከም ዘይብሎም ገሊጹ። \"ህዝቢ ነዚ መጺኡ ዘሎ ሃገር ዘዕኑ ሓደጋ ምስ መንግስቲ ብሓባር ዝከላኸለሉ ኩነታት እዩ ክህሉ። ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝተርኣየ'ውን ከምኡ'ዩ። ኣብ ሞንጎ ከተማታት ኣገልግሎት መጓዓዝያ ስለ ዝተፈቐደ ኮሮናቫይረስ ክላባዕ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ድማ ምኽኑይ ኣይኮነን፤ ከም ቢሮ'ውን እምነትና እዚ እዩ\" ዝብል መልሲ ሂቡ። ኣብ ክሊ እቲ ሃገራዊ ኣዋጅ ህጹጽ ግዘ፡ ተወሳኺ ናይ ባዕሉ ኣዋጅ ደንጊጉ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምቁጽጻር ዘፈጽም ዘሎ ሓይሊ ዕማም ትግራይ፡ ብሕጂ ህዝቢ ካብን ናብን ክንቀሳቐስ ክፈቅድ ድዩ? ኣቶ ኣማኑኤል ነዚ ምላሽ ኣለዎ። \"ንሕና ካብ ዝኾነ ከባቢ ዝመጽአ ጋሻ ተቐቢልና ን14 መዓልታት ክንውሽቦ ኢና፤ እዚ ምስ ወድአ ንኣብነት ጉዕዝኡ ናብ ዓዲ ግራት እንተኾይኑ ድማ ሕጂ'ውን ኣይንሰዶን። ምኽንያቱ ኣብ ውሽጢ ክልል ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ካብን ናብን ምንቅስቓስ ኣይፍቀድን\" ኢሉ። ኣብ ትግራይ ብሓፈሻ ኣብ ዩኒቨርስታት መቐለ፣ ዓድግራትን ኣኽሱምን ናይ መወሸቢ ቦታታት ዝተዳለው ኮይኖም፡ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረሰተብ እቲ ክልል፡ በቲ ሕማም ዝተለኸፉ ሰባት ዝሕከሙሎም ማእከላት እውን ብምድላው እኹል ናይ ምምርማር ዓቕሚ ከም ዘለዎ ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ። ክሳብ ሕጂ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ብመሰረት ዝህቦ ዘሎ ሓበሬታ ድማ ኣብ ትግራይ ዛጊድ ዋላ ሓደ ሰብ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ የለን።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52320943"} {"headline":"ሱዳን ነፈርቲ እስራኤል ብክሊ ኣየራ ክበርራ ኣፍቂዳ","content":"እስራኤል ምስ መንግስቲ ካርቱም ብዝተበጸሐ ስምምዕ ንግዳውያን ነፈርታ ብክሊ ኣየር ሱዳን ክበራ ከም ዝጀመራ ገሊጻ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል፡ በንጃሚን ናታንያሁ፡ ንጉጅለ መራሕቲ ኣይሁድ ኣሜሪካውያን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እታ ቀዳመይቲ ነፋሪት እስራኤል ብቐዳም ብክሊ ኣየር ሱዳን ኣቢላ ናብ ደቡብ ኣመሪካ ከም ዝበረረት ተዛሪቡ። እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዕድል፡ ነቲ በረራ ብሰለስተ ሰዓት ከጉድሎ ምዃኑውን ገሊጹ። ሱዳን፡ ነፈርቲ እስራኤል ብክሊ ኣየራ ክበርራ ፍቓድ ከም ዝሃበት፡ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ እዩ። እስራኤል ንዓመታት ጸላኢታ ምስ ዝነበረት ሱዳን ዝምድናኣ ብቕልጡፍ ንምምሕያሽ ዝርርባት ክተካይድ ከም ዝጸንሐት ናታንያሁ ሓቢሩ። ምስ ፍልስጤማውያን ጥብቕ ዝበለ ዝምድና ዘለዋ ሱዳን፡ ምስ እስራኤል ዝምድናኣ ክተመሓይሽ ትድሊ። ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ፡ ምስ መራሒ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል-ቡርሃን ታሪኻዊ ርክብ ኣካይዶም እዮም። እቲ ድሕሪ ምውዳቕ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ኣብ ኡጋንዳ ዝተኻየደ ፈላሚ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ ምልክት ምምሕያሽ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ስልጠኑ ዝተዓልወ በሽር፡ ንእስራኤል ብትሪ ዝቃወም ዝነበረ ኮይኑ፡ መንግስቱ ንፍልስጤማውያን ዕጡቓት ጉጅለ ሓማስ፡ በምዕጣቕ ይድግፎም ነይሩ ተባሂሉ ይሕመ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51527719"} {"headline":"ኮሮና ቫይረስ፡ ትርኢተ ምጾታት፡ ዝሓመሙ ክትበጽሕ ዝሓዘኑ ክትድብስ ዘይትኽእለሉ ተካል እዋን","content":"ንነዊሕ እዋን ብጻዕቂ ስራሕ ተታሒዘ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናይ ብሓቂ ትርጉም ዘለዎ ዕረፍቲ ከሕልፍ ናይ ርሑቕ መገሻ ወጢነ። ቅድሚ ሽዑ በብግዚኡ ዝወስዶ ዝነበርኩ ናይ ስራሕ ዕረፍቲ፡ በቲ ግዜ ዘይህብ ባህሪ መደብ ዕዮይ ብስስዐ ስራሕ ተመሊሰ እጽመድ ብምንባረይ፡ ነዛ ናይ ሕጂ ዓመታዊ ዕርፍተይ ካብቲ ዝሰርሓሉን ካብቲ ብቀዋሚነት ዝነብረሉ ሃገራት፡ ኣብ ኣመሪካ ርሒቐ ከሕልፎ ንዓመታት ዘይርኣኹዎም ቤተሰብን መሓዙትን፡ ክርኢ ኣትላንቲክ ሰጊረ ኣመረካ ኣትየ። በዚ ሕጂ ንዓለም ዘንቀጥቅጣ ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ጎቦ ልበይ'ኳ እንተ ነበርኩ፡ ኣንፈተይ ንምዕራብ ስለዝነበረስ፡ ካብቲ ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ዝተበገሰ ሕቡእ ኣራዊት ዝረሓቕኩ ኮይኑ ተሰሚዑኒ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ሰራም ቫይረስ ቀዲሙኒ ክሳድ ሒዙ ጸኒሑኑ። ኣይሓሰብኩሉን እምበር፡ ርሑቕ ምብራቕ ንምዕራባዊ ገማግም ኣመሪካ ዝቐረበ'ዩ። ናይ ራብዓይ ክፍሊ ካርታ ቤት ትምህርትና ኣብ ርእሰይ ተቐሪጹ ከምዝተረፈ ድሕሪ'ዩ ተረዲኡኒ። ዕጽዋ ኣብ መገሻ ናብታ ሃገር እትው ካብ ዝብል ኣትሒዙ፡ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ዘሻቐሎም መራሕትን ኣመሓደርትን፡ ኣብያተ ትምህርትን ትካላት ንግድን ዓጻጽዮም፤ ንቡር ማሕበራዊ ንጥፈታት ኣጊዶም፣ ምንቅስቓስ ሰባት ደሪቶም፣ ነብሲ ወከፍ ሰብ ክገብሮ ዝግባእ ጥንቃቐ ክሕብሩን ክመኽሩን ጸኒሖሙኒ። እቲ ሕማም ኣብ ሁቤይ ቻይና ካብ ዝኽሰት ኣትሒዘ ክከታተሎን፡ ምስ መሳርሕተይ ጋዜጠኛታት ንምኽርን ርእይቶን ሞያውያን ዓለም፡ ኣብ መደብ ቢቢሲ ትግርኛ ናብ ህዝቢ ከብጽሕ ክሰርሕ ጸኒሐ ክንሰይ ናህሪ ለበዳ እቲ ሕማምን ዝፈጠሮ ሻቕሎትን ግን ኣሰንቢዱኒ። ዳርጋ ኣብ ነብሲ ወከፍ ሰዓታት ኣብ ሚድያታት እታ ሃገር ብቐጻሊ ዝምዕብል ሓበሬታ ነይሩን ኣሎን። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት መዓልታዊ ዝዓርግ ለበዳን ሞትን ምስ ዘሕዝንን ዘሻቕልን ሰብኣዊ ዛንታታት መስኮት ተሌቪዥን ዝፍኖ እንኮ ዛዕባ እናኾነ ከደ። ኣነ'ውን ከይተፈለጠኒ፡ ኣብ መገሻይ ተዓጽየ ንሸቐልቅል ዓለምን ነቲ በብእዋኑ ዝለዋወጥ ዝነበረ ኩነታት ናይቲ ለበዳ ንምክትታል ኣዒንተይ ኣብቲ ሃዲመሉ ዝብልኩ መሳኹቲ ተሌቪዥንን መርበባት ዜናን ተተኺለን ተረፋ። ኩነታት ባህ ኣይበለንን፡ ዝኸፍአ ከይመጽአ በረራታት ከይተዓጽወን ናብ ስድራይን ስርሐይን ክምለስ ክሻቐል ጀሚረ። ፕረዚደንት ትራምፕን መሳርሕቱን ኣብ ቅድሚ ተሌቪዥን ቀሪቦም ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ ካብ ኤውሮጳ ዝግበር በረራታት ምስ ኣገዱ \"እምበር'ዶ ንቦታይ ክምለስ እየ\" ዝብል ሻቕሎት ወረረኒ። ካብታ ዝተወልድኩላን ዝዓበኹላን ዝተቓለስኩላን ሃገረይን፡ ካብታ ብስደት ዝነብረላ ካልኣይቲ ሃገረይን ወጺአ፡ ካብታ ዝሰርሓላ ሃገርን ርሒቐ፡ ኣብ ኣመሪካ ክዕገት ከምዝኽእል ምስ ሓሰብኩ፡ ድንጽዩኒ፡ 'ዳሕራዩ ይጥዓም' ኢለ። ሕልሚድ'ዩ ጋህዲ! ብመሰረት መደበይ ካብ ክፍለ-ሃገር ከንሳስ ናብ ዋሺንግተን ክኸይድ ስለ ዝነበረኒ በረራ ውሽጢ ሃገር እንተኣቋሪጹ፡ ካብ ዲሲን ከንሳስን ኣብ ፍርቂ መገዲ ብመኪና ዝቀባበሉለይ መቕርብ ኣሰላሲለ ነይረ። መዓልታዊ ነፋሪተይ ምህላዋን ዘይምህላዋን ከረጋግጽ ኢመይል መገዲ ኣየር ዩናይትድ ክከታተል ኣብ ወጥሪ ቀንየ። ዕድል ገይረ ግን ዩናይትድ ኤየር ኣየግድዐትንን። ኣብ ዕለተይን ሰዓተይን ካብ ከንሳስ-ሲቲ ናብ ዋሺንግተን ዲሲ በሪረ። ኩሉ'ቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝግበር ንቡር መስርሕ መገሻ፡ ባልጃኻ ከተምዝን ኮነ ነብስኻን ኣቑሑትካን ክትፍተሽ ተፈናቲትካ'ዩ። እቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ምውቕ ዝነበረ ዝኣተኹሉ መገዲ ኣየር፡ ዝበዝሕ ዱኳናት ተዓጽዩ፡ ምንቅስቓስ ተደሪቱ ጸም-ጸም ኢሉ መልኣኹ ሃዲሙ ነበረ። ኣብታ ኣስታት 120 ሰባት እትሕዝ ነፋሪት 20 ገያሾ ተረሓሒቕና ተረጋጊእና ንዋሺንግተን ዲሲ ኣቲና። ድሮ፡ ካብ ኤውሮጳ ዝግበር ኩሉ ዓይነት በረራታት ተቛሪጹ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ጸምዩ ነበረ። ኣይደንጎኹን ባልጃይ ጠራኒፈ ንግዳም ወጺአ፡ ወደ-ኣኮይ ምስ መሓዝኡ ተቐቢሎሙኒ። ካብ ንረአአ ዓሰርተ ዓመት ጌርና ከነብቅዕ ብኢድ ኣይተጨባበጥናን ኣይተሰዓዓምናን እውን። ኣራእስና ብምጥቃስ ሰላምታ ተለዋዊጥና ብመኪና ንገዛ ኬድና። ኣብኡ ንልዕሊ 20 ዓመት ዘይረኣኹዎም ስድራ ነይሮም። ግን ምሰኦም እውን ምጭብባጥ ኮነ ምስዕዓም ኣይነበረን። ንገዛ ምስ ኣተና ቅድሚ ዝኣገረ፡ ጫማና ኣውጸኢና፡ ሸበጥ ጌርና አእዳውና ክንሕጸብ ትኽ ኢልና ናብ ሽንቲ ቤት ኣምሪሕና። ብድሕሪኡ ተፈናቲትና \"እንቋዕ ደሓን መጻእካ! እንቋዕ ደሓን ጸናሕኩም!\" ተበሃሂልና ብቓለት ጥራሕ፡ ደሃይ ሓድሕድ ተለዋዊጥና። ኣኮይ ቁሩብ ዕድመ ስለዝደፍአ ከማይ ዲያበቲክ እውን ስለዝኾነ፡ ኣብቲ ገዛ ልዑል ጥንቃቐ'ዩ ጸኒሑኒ። ንቤተሰበይ ሓቚፈ ክስዕሞም፡ ኣእዳዎም ክጭብጥ ዝነበረኒ ሃረርታ ብኮቪድ-19 ተደረተ። ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ናይ ኣሽሓት ኪሎ ሜትራት ምርሕሓቕ፡ ጠቕሊለ ኣሕጺረዮ ኣብ ዝበልኩሉ፡ ክልተ ሜትሮ ምስ ተረፎ ተዓጊቱ። ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እናሃለዉ፡ ሓኒቐ ክስዕሞም ዘይምኽኣለይ ሕማቕ ተሰመዓኒ። እቲ ዕድመ ዝደፍአ ኣኮይ \" ዋእ ካን ድዩ ኣኺሉና - ነዚ ሕማም ክሳዕ ክንድዚ ፈሪሕኩ'ሞ፡ ኩሉ እኮ ካብ ሕሳብ ፈጣሪ ኣይወጽእን እዩ!\" ብማለት ክንሰዓዓም እኳ እንተዓደመ፡ \" እቲ ሕማም ብዝያዳ ንዓበይቲ ስለዘጥቅዕ ቀንዲ ምእንታኻ ክንብል ኢና ንርሕቕ ዘሎና\" ኢልና ከነረድኦ ፈቲንና። ግን ኣይተዋሕጠሉን። \" ሕማቕ ግዜ ኣርኪብና፡ ብሕማማሲ ክንድዚ ፍርሂ!\" እናበለ ዝበልናዮ ክንቅበል ተገደደ። እቲ ኩነታት ክሳብ ሕጂ ሕልሚ 'ምበር ጋህዲ ኮይኑ ኣይስምዓኒን ዘሎ። ፈታዊኻ ዘይትስዕመሉ፡ ዝሓመመ ብጻይካን ሓውኻን ዘይትበጽሓሉ፡ ዝሓዘነ መቕርብ ዘይትድብሰሉ፡ ዝሞተ ዘይትቐብረሉ ፈታኒ እዋን!ኣብቲ ገዛ፡ ዝኾነ ነገር እንተሒዝካ፡ ተንሲእካ ኢድካ ክትሕጸብ ኣሎካ። ካብ ገዛ ንግዳም ምውጻእ የለን። ኣብቲ ከባቢ አእጋርና ከነንቀሳቕስ እንተወጺእና እውን ዝኾነ ነገር ኣይንትንክፍን ኢና። ንገዛ ምስተመለስካ ከኣ አእዳውካ ብሳምና ተሓጺብካ ተፈናቲትካ ምዕላል እዩ። እቲ ሕማም ብቕልጡፍ ይዓርግ ስለዝነበረ፡ ኩሉ ዕለታዊ ዜና ዘሰምብድ እዩ። እቶም ዓበይቲ ኣባላት እታ ስድራ \"ኩሉ ካብ ኣምላኽ እዩ\" ክብሉ እንከለው፡ እቶም ናእሽቱ ከኣ \"ንኣምላኽ ብጽሬትን ጥንቃቐን ክሕገዝ ኣለዎ!\" ብምባል ኣጥቢቖም ይከራኸሩ። ኣብቲ ገዛ ጽሬት ቀዳማይ ዛዕባ'ዩ - ምሒር ዝበዝሐ እኳ እንተመሰለኒ ግን ርእይቶ ኣይሃብኩን። ካብ ኣካይዳኦም ከይወጽእ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ እጥንቀቕ ነበርኩ። ዋላኳ ብዕረፍቲ እንተገሽኩ፡ ነቲ ኣጋጣሚ ክጥቀመሉ ስለ ዝሓሰብኩ ምስ ብዙሓት ሞያውያን፡ ምሁራት ስነ-ጥበባውያን ቃለ-መሕትት ከካይድ መቕረጺ ድምጺን ካሜራታተይን ኣዋዲደ እየ ከይደ። ምስ ገሊኦም እውን ቆጸራ ሒዘ ነይረ። ግን እትረፍ ንስራሕ ዝምልከት ርክብ፡ ንዝሓመመን ሓዘንተኛን ቤተሰብን መቕርብን እውን ብተሌፎን እንተዘይኮይኑ ብኣካል ክበጽሕ ኣይከኣልኩን። ንብዙሓት ክረኽቦም ዝደሊ ዝነበርኩ ገዳይም አዕሩኽን ፈተውትን ከይረኸብኩዎም ምስ ገሊኦም ብስልኪ ጥራሕ ደሃይ ሓድሕድ ተለዋዊጥና ክምለስ ተቐሲበ። እታ ዝምለሰላ ዕለት ክትቅልጥፈለይ'ሞ መዓልቦይ ክሕዝ ከም ሓራስ መዓልቲ ክጽብጽብ ተሸጊረ። ብድሮኡ፡ ኣብታ ዝበረላ መዓልቲ ዝነበራ ክልተ በረራ ተሰሪዘን ምስረኣኹወን ምናልባት ኣብታ ኣነ ዝኸደላ ናይ ምሸት በረራ ጠራኒፎም ክወስዱና ከምዝኽእሉ ገመትኩ። ተኣኻኺብካ ምኻድ፡ ንዝርገሐ ኮሮና ቫይረስ ዘጋድድ ብምዃኑ እቲ ዝከኣል ጥንቃቐ ንምግባር ዳርጋ ዝበዛሕና ማስኬራ ወዲና ጓንቲ ኣጥሊቕና ኢና ንወሳወስ ነይርና። ብቕንያቱ፡ 'ማኒላ ማዕጾ ኣይትሓዝ፡ እንተሒዝካ ቀልጢፍካ ተሓጸብ ብዝተኻእለ ንደገ ኣይትውጻእ፣ እንተወጺእካ ነገራት ኣይትተናኽፍ፡ ዝኾነ ነገር እንተተንኪፍካ ብሳኒታይዘር ኢድካ ወልውል' እናተበሃልኩ፡ ኮፍ ንኪብል ወላዊለ፡ ገጸይ ወይ ዓይነይ ክሕዝ ተሓጺበ፡ ዋላ እውን ሳሕቲ እንተነበረ ደገ ወጺአ ተወሳዊሰ ክምለስ እሕጸብ ስለዝነበርኩ ነቲ ህይወት ተለማሚደዮ እየ። ትርኢተ ምጾታት ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ምስ ተኣኻኸብና ግን ዋላኳ ተፈናቲትና እንተተሰራዕና፡ ሕንጥሸው ንዘዝበለ ሰብ፡ ጥይት ከም ዝተኮሰልና ቁሊሕ ምሊሕ ክንብል ተሰቂቕና ነይርና። እቲ ዝሃንጠሰ ሰብ ከኣ \"ይቕሬታ!\" ክብል ከፊኡዎ ነይሩ። እቶም በረረኦም ዝተሰረዞም ናይ ንግሆ ገያሾ ድሮ ባልጃታቶም ኣመዛዚኖም ተፈታቲሾም ምሳና ክኽዱ ኣብቲ ገይት ተኣኻኺቦም ጸኒሖሙኒ። እቲ ብዝሖም ምስረአኹ እቲ ነፋሪት ቅጽጽ ኢላ ከምእትኸይድ ተረደኣኒ። ውሑዳት እንተዘይኮይኖም ዳርጋ ዝበዝሕ ሰብ ማስኬራን ጓንትን ወድዩ ተሸፋፊኑ እዩ ናብታ ነፋሪት ዝኣቱ ነይሩ። እተን ሆስቴስ ኣሳሰይቲ ናይታ ነፋሪት ግን ጓንቲ እምበር መሸፈኒ ኣፍ ማስኬራ ኣይወደያን። ንኹሉ ናብታ ነፋሪት ዘዝኣተወ ከኣ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም እናበላ የስተናግዳ ነበራ። ኣብ ሚድያታት ተፈናተቱ ዝብል ቀጻልን ጽዑቕን ጎስጓስ ስለዝቐነየ፡ በቲ ብዝሒ፡ ኩሉ ሰብ ስክፍታን ሻቕሎትን ነይሩዎ። ድሕሪ ቑሩብ፡ ናይ መጨረሻ ናይ በረራ ግዜ ኣኺሉ በብቑጽርና ናብ ሰሰፈርና ክንኣቱ ተነግረና። መቓምጦይ 46ቢ እዩ። ኣብ ጸጋማይ ሸነኽ እታ ነፋሪት ካብ 10 መናብር ቑጽሪ ኣርብዓን ሽዱሽተን ኣብ መበል ካልኣይቲ መንበር እዩ ቦታይ። ብጸጋመይ ኣብ 46ኤ ሓንቲ ማስኬራ ወድያ ክነሳ ገጻን ጸጉሪ ርእሳን ብሻርባ ዝተሸፋፈነት ማእከላይ ዝዕድመኣ ሰበይቲ ነቲ ክልተ መቓምጦ ቦርሳኣን ጃኬታን ኣቐሚጣትሉ ጸኒሓ፡ \"ኣብዚ ካልአይቲ ወንበር እየ ሰፈረይ\" ምስ በልኩዋ፡ \"ኦ ማይ ጋድ!\" ኢላ፡ ካልእ ሰድያ ክትደሊ ቑሊሕሊሕ በለት። ገና ሰብ ይኣቱ ስለ ዝነበረ ከኣ እቲ ጃኬታ ናብ 46ሲ ኣስገረቶ። ኣይደንጎየን ሓደ ኩፍየት ዝወደየ ግሩም ኣቦ መጺኡ፡ ኣብ 46ሲ እዩ ሰፈረይ ብምባል እቲ ጃኬት ክንኣልየሉ ሓተተ። ጃኬታ ብምንባሩ ከይፈተወት ኣብቲ ባልጃታት እንሰቕለሉ ተዓጻዊ ከብሒ ኣቐመጠቶ። በረራ ነፈርቲ ምስ ምእጋዱ፡ ነፈርትና ውሑዳት ሰባት ሒዘን ይኸዳ ይኾና እሞ ካብ ስግኣትን ሻቕሎትን ኮሮና ተረሓሒቕና ንቕመጥ ንኸውን ዝብል ትጽቢት ዘሕደርና ብዙሓት ዝነበርና ይመስለኒ። ነብሲ ወከፍ ሰብ ነንሓድሕዱ ብጥርጣረ ዝጠማመት ዘሎ ኮይኑ እዩ ዝስመዓካ። ዝበዛሕና፡ ይጥቀም ኣይጥቀም ማስኬራ ወዲና ጓንቲ ኣጥሊቕና ነይርና። ኣብ ዕዳጋ ሕጽረት ማስኬራን ጓንትን ብምንባሩ፡ ኣነ ነታ ካብ ካንሳስ ናብ ዲሲ ክመጽእ እንከለኹ ዝተጠቕምኩላ ካብ ስራሕ ዝተዋህበትኒ ማስኬራ ብኣልኮልን ዲቶልን ሓጺበ እየ ዳግማይ ተጠቒመላ። እንተኾነ ከስተንፍስ እንከለኹ፡ እቲ ሽታ ኣልኮልን ዲቶልን ዓቕለይ ስለ ዘጽበበለይ፡ እቲ ንውሽጢ ዝስሕቦ ናይ ዲቶልን ኣልኮልን ገለ ዓይነት ኬሚካል ይልክመኒ እኳ ብምባል ተሻቂለ ንሓጺር ግዜ ምስ ገበርኩዎ 'ክላ ፈጣሪ ባዕሉ ይሓሉወና እምበር ከምዚ ገይርካስ ኣይውጻእን እዩ' ኢለ ብውሽጠይ ከይደንጎኹ ካብ ኣፈይን ኣፍንጫይን ኣልየዮ። ግን ካብ ዝኾነ ኩርናዕ ዘሀንጥሱ ሰባት እናኽሰምዕ ከይተረደኣኒ ቑሊሕ ምባል ኣይገደፍኩን። ብዘይ ምግናን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምህንጣስ ብዙሓት ካባና ናብቲ ድምጺ ዝሰማዕናሉ መኣዝን ቁሊሕ ክንብል በዒንትና ንራኸብ ነበርና። እቶም ተሳፈርቲ ገሊኦም ማስኬራን ጓንትን ዝወደዩ፡ ገሊኦም ዘይነበሮም ገሊኦም ዝተሸፈኑ፡ ገሊኦም ዘይግድሶም ዓይነት ኮይኖም ተራእዮሙኒ። ኣብቲ ጽቕጥቅጥ'ቲ፡ ዝኾነ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፍና ወይ ተሰከምቲ እንተሊና፡ ብእንህንጥሶ ህንጣሰ ምልብባድና ዘይተርፍ እዩ። ከምቲ ብሊቃውንቲ ዝተነግረና እቲ ቫይረስ ንገሊኡ ኣብ ክዳኑ፡ ንገሊኡ ኣብ ጸጉሩ፡ ንገሊኡ እውን ምናልባት ኣብ ገጹ ክዓልቦ ይኽእል እኸውን። ስለዝስ ሓደ ሰብ ንበይኑ ዝገብሮ ጥንቃቐ ክሳዕ ክንድቲ ዘተኣማምን ኮይኑ ኣይተራእየንን። \"ምስ ዘውጽአ የውጽኣና እኳ\" እንተበልኩ፡ በታ ዓቕመይ ብዝገብሮ ዝነበርኩ ጥንቃቐ ግን ጨሪሰ ተስፋ ኣይቆረጽኩን። ነፋሪት ቅድሚ ምብራራ ልሙድ ናይ ድሕነት መምርሒ ክንገረና ጀመረ። 'መስመር ሰማይ ሓጎጽጎጽ እንተበለና ቁልፍና ክንዕጠቕ፡ ብቴክኒካዊ ጸገም ብሃንደት ክንዓልብ እንተተገደድና ከይንሽበር፡ ኣብ ባሕሪ ወይ ውቅያኖስ እንተዓለብና ላይፍ ጃኬትና ክንነፍሖ ከም ዘሎና፡ ሕጽረት ምስትንፋስ እንተጋጢሙና ብኸመይ ኦክሲጂን ከም እንረክብ፡ ጃንጥላ ክንጥቀም እንተተገደድና ከመይ ከምእንገብር' ንዝብል ልሙድ ዝርዝራት፡ ግዲ ዝገበረሉ ሰብ ዝነበረ ኣይመስለንን። ነቲ ብሰንኪ'ዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ክንገብሮ ዝግበኣና ጥንቃቐን ክንገር እንከሎ ግን ኩሉ ሰብ ጽን ክብል ኣስተውዓልኩ። እቲ ምኽሪ ድሕሪ ምዕላብና ዝኾነ ምልክታት እንተተሰሚዑና ኣብ በቤትና ምስ ኣተና ነብስና ክንንጽል ከም ዘለና ዝነግር እዩ - ኩላትና ጸጥ ኢልና ዝሰማዕናዮ ከኣ ይመስለኒ። ብውሑዱ ምስቲ ዝርእዮ ዝነበርኩ ናይ ምጽርራይ ሸበድበድን ምሽፍፋንን ንዓይ ከምኡ ተሰሚዑኒ። እታ ነፋሪት፡ ኣብቲ መሐምበቢ መስመር (ራን-ወይ) ከተኹድድ ጸኒሓ፡ ንሰማይ ከተንቃዕርር ፍጥነት ወሲኻ ክትሕምበብ ምስ ጀመረት እታ ብጸጋመይ ዝነበረት ኣደ፡ ሓንቲ ውዳሰ ማርያም እትመስል ንእሽቶ መጽሓፍ ጸሎት ኣውጺኣ ከተንብብ ጀመረት። እቶም ብየማነይ ዝነበሩ ኣቦ እውን 'with the heart in mind' ዘርእስታ ብሚካኤል ኣሕመድ ስሚዝ ዝተደርሰት መጽሓፍ እምነት ከንብቡ ጀመሩ። ንምርግጋጽ ዝኣክል ነታ ኣደ \"እዚ ጽሕፈት ናይ ሂብሩ ድዩ?\" ክብል ሓቲተያ። \"እወ!\" ክትብል ተቐላጢፋ መሊሻትለይ። ወይ ኣነ ወይ ንሳ ግን ዘረባ ኣይቀጸልናን። ኣፍና እውን ብማስኬራ እዩ ተሸፋፊኑ ነይሩ። እቶም ኣቦ ንዘንብቡዋ ዝነበሩ መጽሓፍ ብጎቦ ዓይነይ ምስረኣኹዋ ከኣ ብዛዕባ ነብይ መሓመድ ዝዛረብ ነገራት ርእየላ። ድሕሪ ቁሩብ እውን እታ ብጸጋመይ ዝነበረት ኣደ ኣብ ሞባይላ ብዛዕባ ሞትን ምጽንናዕን ዝምልከት ዓንቀጻት ተንብብ ነይራ። እቲ ብየማነይ ዝነበረ ሰብኣይ፡- \"ንኣሜሪካ ድኣ ብደሓን መጺእካ?\" ክብል ሓቲቱኒ \"ስድራ ቤት ክበጽሕ እየ ተንቀሳቂሰ\" \"እሞ ኣብ መደብካ ዲኻ ትምለስ ዘለኻ ወይስ ትኬት ቀይርካ ኢኻ?\" \"ኣይፋል ኣይቀየርኩን?\" \" እሞ ዕድለኛ ኢኻ። ኣነ ሓደ ሚያዝያ እየ ክምለስ ነይሩኒ። ፍጹም ምቁራጽ በረራ ከይስዕብ ግን ትማል ምሸት እየ ሓዲሽ ትኬት ገዚአ። እንታይ እዩ'ኸ ሞያኻ?\" \"ጋዜጠኛ እየ። ኦ… ኣብ ምንታይ ዓውዲ ኢኻ'ኸ ትጽሕፍ?\" \"ዝበዝሕ ኣብ ፖለቲካ እየ?\" \"ናይ ኣየናይ ዞባ?\" \"ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ። ኦ… እሞ ቢዚይ ኢኻ!\" \"ዋእ ኩሉ ጋዜጠኛ ቢዚይ እዩ። እቲ ዓውዲ ከምኡ እዩ\" \"ካበይ ኢኻ'ኸ መበቆልካ?\" \"ኤርትራዊ - ብሪጣንያዊ እየ\" \"ኣነ ከኣ ፓኪስታንያዊ እየ\" \"ገሚተ ኣለኹ!\" ተበሃሂልና፡ ብዛዕባ እቲ ወሪዱ ዘሎ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ቁሩብ ኣዕሊልና ነናብ ዋኒንና ኣቲና። ንሱ ንባቡ ቀጺሉ ኣነ ኸኣ ሽዕኡ ዝተሰመዓንን ዝመሰለንን፦ \"መልኣከ ሞት ከንጸላሉ እንከሎ ንፈጣሪ ክትልምን ንሰማይ ምንቅዕራር ልሙድ እዩ። ኣብ ሰማይ ግን ከምዚ ኸማይ ዘየምልኽ ሰብን፡ አዒንቱ ካብ መጽሓፍ ጸሎት ዘይፈሊ ኣማንን ዕጫና ሓደ እዩ። ዝኾነ እንተመጽአ ከኣ ብኽልተ ኣመንቲ ማሚቔ ስለዘዘለኹስ ጸሎቶም ይሕልወኒ ግዲ ይኸውን\" ኢለ ፈሊመ፡ ኣብ ኖት ቡከይ ክሓናጥጥ ጀሚረ። ቁሩብ ሰዓታት ምስ በረርና መብዛሕትና ኣኣብ መናብርና ድቃስ ወሰደና። ክሸይን ምስተንሳእኩ ዳርጋ እቲ ዝበዝሕ ማስኬራ ወድዩ ዝነበረ፡ ኣነን እቶም ኣብ ጎድነይ ዝነበሩ ክልተ ደቂ ሰፈረይ ከይተረፍና ማስኬራና ካብ ገጽና ኣሊናዮ ነበርና። ዕድል ክንገብር ካብ ሰለስተና ብሰዓል ዘህንጥስ ኣይነበረናን። ኣብ ንቡር ኩነታት ምህንጣስ ንቡር እዩ። ኣብ ዘበነ ኮሮና ቫይረስ ግን ዘሰምብድ ድምጺ እዩ። ኩሉ እዩ ቑሊሕ ምሊሕ ዝብል። እቲ ዘሀንጥስ ይስከፍ እቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ይስከፍ - ሕማቕ እዋን። ሽዑ ዝበልኩዎ እዩ። ኣብ ቅድሜና ኣብ ዝነበረ መቓምጦ ዝነበረ ሓደ ተጓዓዛይ፡ ድምጹ ክብ ኣቢሉ ፡- \"ኣብ ቅድሚት ቦታ እንከሎ ስለምንታይ ምስ ሻቕሎት እዚ ሕማም ኣብዚ ጸቃቒጥኩሙና? ኣነ ኣብቲ ቅድሚት ከይደ ኮፍ ክብል እደሊ ኣለኹ። እዚ ፍትሒ ኣይኮነን\" ኢሉ ከዕገርግር ስለዝጀመረ ኩሉ ሰብ ናባና ይጥምት ነይሩ። ዳሕራይ ሓንቲ ካብተን ሆስቴስ መጺኣ፦ \"ጸገም የሎን ዝያዳ ገንዘብ እንተኸፊልካ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። እቲ ቦታ ዝያዳ ገንዘብ ናይ ዝኸፈሉ እዩ። በቲ ዝኸፈልካዮ ገንዘብ ግን ኣብዛ ቦታ እዚኣ ጥራሕ ኢኻ ኮፍ ክትብል ትኽእል\" ኢላ መለሰትሉ። ግን ኣይለዘበን \"ፍትሒ ኣይኮነን - ፍትሒ ኣይኮነን ኢሉ ምጭዳሩ ቐጸለ። ካብቲ ተሳፋራይ ግን ተጋጊኻ ወይ ሓቅኻ ዝበሎ ኣይነበረን። \"እቲ ኩነታት ሓደ ነገር አሕሲቡኒ። ሓቂ ይሓይሽ እቲ ቢዝነስ ክላስ ቅሩብ ርሁው ዝበለ እዩ ነይሩ። ግን ኣብኡ እውን ኮሮና ቫይረስ ክህሉ ይኽእል እዩ። እዚ ሕማም ሕብርን መልክዕን ዓድን ዓውድን ዓሌትን መበቆልን ቦታን ደረጃን እምነትን ሃይማኖትን ዝፈሊ ኣይኮነን። ወዲ ሰብ ዓቕሉ ምስ ኣጽበበ ግን ዘይገብሮ የብሉን\" ኣብ ኖት ቡከይ ዘስፈርኩዎ እዩ። እቲ በረራ ናይ ለይቲ ስለዝነበረ ኩሉ እቲ ብማስክን ጓንትን ነብሱ ክከላኸል ዝፍትን ዝነበረ፡ ድቃስ ምስ መጽኦ መብዛሕቱ ማስኬራኡ ኣውጺኡ ትንፋስ ሓድሕዱ ክቀባበል እዩ ሓዲሩ። ሽዑ ሰብ እንተሀንጠሰ እንተሰዓለ ቁሊሕ ምሊሕ ዝብል ኣይነበረን። ኣብታ ነፋሪት ብኮሮና ዝተለኽፍና እንተነይርና እቲ ቫይረስ ኣብ እዋን ድቃስ ካብን ናብን ኣብ ኣየር ተዘሪኡ ኣሎ። ሊቃውንቲ እዚ ሕማም፡ ነብሲ ወከፍ ሰብ'ዚ ሕማም ኸይለግቦን ተቐቢሉ ከይዝርገሖን ብዝከኣሎ ክጥንቀቕ ይመኽሩ ኣለው። ኣጋጣሚ ኮይኑ እቲ ቫይረስ እንተስዒሩ ግን ሕማም ናይ ምጽዋር ዓቕምና እዩ ዝምክቶ። ድኹም ዝሰብነትናን ዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታትን ሕዱር ሕማም ዘለዎም እቶም ብዝያዳ ዝጥቅዑ እዮም። ግን ከኣ ንናእሽቱ እውን ስለዘይንሕፍ ኩሉ ኣካል ሕብረተሰብ ዓቢኡ ንእሽትኡ ንሓድሕዱ ከይለኻኸም ክጥንቀቕ ብቐጻሊ ዝወሃብ ምኽሪ እዩ። ብሓፈሽኡ እዚ ዓለማዊ ወራር ብዓለማዊ ምትሕግጋዝ ስለዝምከት ካብ ውልቀ ሰብ ጀሚሩ ስድራን ኮምን ሞያውያን ጥዕና ዝህቡዎ ምኽርን መንግስታት ዘመሓላልፉዎ ናይ ምክልኻል ኣዋጅን ክንትግብር ይግባእ። እዚ እውን ኣብ ኖት ቡከይ ዝበልኩዎ እዩ። ሰዓት ሸውዓተ ናይ ንግሆ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሂትሮ፡ ኣብ ተርሚናል -2 ኣብ ለንደን ዓሊብና። እቲ ካብቶም ኣብ ዓለም ዝበዝሐ ጻዕቂ በረራታት ዘአንግድን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ገያሾ ዝመላለሱሉ ሂትሮ፡ ብጽምዋ ጽም-ጽም ክብል እዩ ጸኒሑና። ሂትሮ ከምዚ'ሉ ክጽሙ ዝኽእል ይመስለንን'ዩ ነይሩ። እቲ ናይ ምጾታት ትርኢት፡ ነተን ብዊል ስሚዝ ዝተሰርሐት ''ዘ ለጀንድ'፡ ከምኡ'ውን ደንዘል ዋሽንግተ ዝዋሳኣላ 'መጽሓፈ ኢላይ' ዝብላ ፊልምታት ድማ ኣዘኻኸረኒ። ከምዚ ኸማና ነናብ ቤቶም ዝምለሱ ውሑዳት ነበርቲ እንተዘይኮይኑ ካልእ በረራታት የአንግድ ኣይነበረን። ነፋሪትና ኣብ ምዕላባ ፓይሎት እታ ነፋሪት፡ \"እሞ ክቡራት ተጓዓዝቲ፡ በዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኮሮናቫይረስ ዝግባእ ጥንቃቐ ክትገብሩ፡ ዝኾነ ምልክታት ሕማም እንተተራእይኩም ከኣ ኣኣብ ቤትኩም ነብስኹም ክትውሽቡ ኣጥቢቕና ንሕብር\" ክብል መኺሩና። ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝኾነ ካልእ ዝመርመረና ኮነ ዝተዳህየና ኣይነበረን። ለንደን እውን ከም ከተማታት ኣመሪካ ኣብ ፍጹም ጸጥታ እያ ጸኒሓትኒ። ምንቅስቓስ መካይን ኣዝዩ ነክዩ እታ ኸተማ ኣብ ፍጹም ዕረፍቲ ዘላ ክሳብ ትመስል ሽዑን ሕጅን ሃዲኣ ነይራ። ታክሲ ወሲደ ገዛይ ኣትየ። ኣብ ኣመሪካ ብሞያውያን ሕክምና መቕርብ ብጽኑዕ ከምዝተመኸርኩዎ፡ ንስድራይ ብምልክት ሰላምታ ሂበ፡ ባልጃታተይ ባዕለይ አእትየ፡ ተኸዲነዮ ዝነበርኩ ብምሉኡ ክዳውንተይ ኣብ ፕላስቲክ ዓሺገ ነብሰይ ተሓጺበ ናብ መዳቕሶይ ሓሊፈ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ካብ መገሻይ ኮሮና ቫይረስ ሒዘ መጺአ እንተኾይነ፡ ኣብቲ ገዛ፡ ገሊኦም ኣዝማ ዘለዎም ዝፈትዎምን ዘፍቅሮም ደቀይን ስድራይን ኣለዉ። እተን ክልተ ናይ ውሸባ ሳምንታት ክሳብ ዝሓልፋ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሻቅሎት እየ ዘለኹ። እቲ ሕማም፡ ዓለማዊ ወራር ስለዝኾነ ዳርጋ ኣብ ብዙሕ ቤት ተመሳሳሊ ሻቕሎትን ስክፍታን ከምዘሎ ይርድኣኒ እዩ - ባህሪያዊ ከኣ'ዩ። ብዘይካ ምኽርን መምርሕን ሞያውያን ምኽታልን ምስዓብን ካልእ ምርጫ የሎን። እዚ ቀዛፊ ሕማም ግዜኡ ኣብቂዑ ኩሉ ነገር ናብ ንቡር ክምለስን ስክፍታን ሻቕሎትን አህዛብ ዓለም ብተስፋ ክድበስ ተስፋ እገብር።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52113143"} {"headline":"ነፋርቲ ቦይንግ 737 ማክስ፡ ናይ ፈተነ በረራ ከካይዳ እየን","content":"ኩባንያ ቦይንግ፡ 737 ማክስ ነፈርቱ ብዝምልከት፡ ኣብ'ዚ ሰሙን ሓደ ኣገዳሲ ምዕራፍ እዩ ዝጽበዮ ዘሎ። እተን ነፈርቲ፡ ንበረራ ውሑሳት ድየን ኣይኮናን ዝብል ንምጽራይ፡ ተቖጻጸርቲ ፈተነታት ክገብሩለን እዮም። ውሕስነት መጓዓዝያ ኣየር ኣመሪካ ካብ ዝቆጻጸሩ ኣካላትን ካብቲ ኩባንያን ዝተውጻጽኡ ኣብረርትን ሰብሞያ ቴክኒክን ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልታት ፈተነታት ከካይዱ እዮም። ቦይንግ 737 ማክስ ነፈርቲ፡ ኣዝየን ተጠለብቲ እየን ነይረን። ዓሌት ናይዘን ነፈርቲ ዝኾና፡ ክልተ ነፈርቲ ድሕሪ ምውዳቐንን 346 ሰባት ድሕሪ ምሟቶምን ግን፡ በረራ ከይገብራ ተኣጊደን እየን። እቲ ሎሚ ዝጅምር ፈተነታት፡ ንኩባንያ ቦይንግ ኣዝዩ ኣገደሲ እዩ። እንተኾነ፡ ዋላ'ኳ እቲ ፈተነታት ጽቡቕ እንተኸይዱሎም ገና፡ ንኣዋርሕ ዝቕጽል ናይ ውሕስነት ምርመራታት ክግበር እዩ። እተን ነፈርቲ በረራ ከይገብራ ካብ ዝእገዳ 15 ኣዋርሕ ኮይንወን ኣሎ። ዋንነተን ናይ መገዲ ኣየር ላየን ከምኡ ድማ ናይ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾና ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ ነፈርቲ ኣብ 5 ወርሒ ኣፈላላይ ድሕሪ ምውዳቐን እዩ እዚ ስጉምቲ ተወሲዱ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53216629"} {"headline":"ቦይንግ 777X: ኣብ ዓለም ዝዓበየት በዓልቲ ክልተ ሞተር ነፋሪት ፈላማይ በረራ ኣካይዳ","content":"ኩባንያ ቦይንግ ፈለማይ ፈተነ በረራ ናይታ ኣብ ዓለም ዝዓበየት በዓልቲ ክልተ ሞተር ነፋሪት መጓዓዝያ 777X ብዓወት ፈጺሙ። እዚ፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ክልተ ነፈርቲ 737 ማክስ ዘጋጠመ ሓደጋ ዘኸተሎ ሞት 346 ሰባት፡ ኩባንያ ቦይንግ ንዝሰኣኖ ዝና ንምምላስ ዝገበሮ ፈተነ ከምዝኾነ ይግለጽ። ቦይንግ 777X ኣርባዕተ ሰዓታት ዝጸንሐ ፈተነ በረራ ዘካየደት ኮይና፡ ቅድሚኡ ዝተሓሰቡ ክልተ በረራታት ብሰንኪ ብርቱዕ ንፋስ ተሰሪዞም'ዮም። እዛ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ መገዲ ኣየር ኢሚራትስ ስራሕ ክትጅምር ትጽቢት ዝግበረላ ነፋሪት፡ ቅድሚኡ ብዙሕ ናይ ፈተነ በረራታት ክተካይድ'ያ። 76.8 ሜትሮ ንውሓት ዘለዋ ቦይንግ 777X፡ ኣብዚ ዓመት ናብ ኣገልግሎት ክትኣትው ውጥን እንተነበረ'ኳ፡ ብሰንኪ እቶም ዘይተገለጹ ቴክኒካዊ ጸገማት ክጓተት ክኢሉ'ሎ። \"ከም ኩባንያ ክንሰርሖም ንዝከኣሉና ነገራት ከም መርኣያ እትቑጸር'ያ\" ኢሉ ዳይክሬተር ክፍሊ ዕዳጋ 777X ወንዲ ሰወርስ። ቦይንግ ብነብሲወከፍ ዋጋ 442 ሚልዮን ዶላር፡ ዛጊት 309 ነፈርቲ ከምዝሸጠ ኣፍሊጡ። ኩባንያ ቦይንግ ብድሕሪ'ቶም ኣብ 737 ማክስ ዓይነት ነፈርቲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኢንዶነዥያን ዘጋጠሙ ክልተ ሓደጋታት፡ ኣብ ቅልውላው'ዩ ጸኒሑ። ንዓይነት እተን ዝወደቓ ነፈርቲ፡ ናብ ዓማዊሉ ብቕልጡፍ ንምቕራብ ሃጺጹ፡ ንጉዳይ ድሕነት ኣይተገደሰን ብዝብል ኣብ ዝቐረበሉ ክስታት ምርመራታት እናተገበረሉ ይርከብ። እተን ብሉጽ ዕዳጋ ዝነበረን ነፈርቲ 737 ማክስ፡ ካብ በረራ ብምእጋደን ከኣ ልዕሊ 9 ቢልዮን ዶላር ክሳራ ከምዘስዓበሉ ይግለጽ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51253893"} {"headline":"ዛንታ ን68 መዓልታት ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ሕክምና ዝጸንሐ ኣብራሪ","content":"“ኣብ ካልእ ሃገር እንትዝኸውን፤ ሞይተ ነይረ ማለት እዩ” ይብል ስኮትላንዳዊ ስቴፈን ካሜሮን ኣብ ዓራቱ ኾይኑ። እዚ ወዲ 43 ዓመት ኣብራሪ ነፋሪት፡ ብኮሮናቫይረስ ተታሐዙ ን68 መዓልታት መተንፈሲ መሳርሒ ተተኺልሉ እዩ ጸኒሑ። ኣብ ሞትን ሕውየትን ኮይኑ፡ ነፍሱ ክትወጽእ እናቐረበት ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ብሓገዝ ሕክምና ህይወቱ ዝጸንሐት ግና ኣብ ዝተወለደሉ ዓዲ ኣይኮነን። ኣብ ርእሰ ከተማ ቬትናም ዝኾነት፡ ሆ ቺ ሚን እዩ። እታ ከተማ፡ ውዕውዕቲ እያ። ሰብን ተሽከርከርትን እናተዳፍኡ ዝንቀሳቐሱላ ከተማ እያ። ረብሻ ድምጺ ኣይፍለያን። ቪዬትናም 95 ሚሊየን ህዝቢ ኣለዋ። ኮሮናቫይረስ ንዓለም እንተሸብር፡ እዛ ሃገር ግን፡ ካብ'ዚ ኹሉ ሚልየናት ህዝባ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ጥራይ እዮም በቲ ሕማም ተለኺፎም። ዋላ ሓደ ዝሞተ ሰብ’ውን የብላን። ስቴፈን ብኸመይ ድሒኑ? ስቴፈን ብሰንኪ እዚ ለበዳ ናብ ክፍሊ ፅኑዕ ሕክምና ዝኣተወ ናይ መወዳእታ ሰብ እዩ። በተን ናይቲ ሃገር መራኸቢ ሓፋሽ፡ ‘ተሓካሚ 91’ ዝብል መጸውዒ እዩ ተዋሂብዎ። ኣብ ወርሒ መጋቢት ምስ ሓመመ ዝተውሃቦ ሕጋዊ መለለዪ ቁጽሩ እዩ። ብህይወት ናይ ምትራፍ ዕድሉ 10 ሚኢታዊ ጥራሕ እዩ ነይሩ። መብዛሕትኡ እዋን፡ ውንኡ የጥፍእ ነይሩ። እቶም ሓካይም 'Ecmo' ዝበሃል ማሽን ተኺሎምሉ እዮም ቀንዮም። እቲ ማሽን፡ ደሙ መጢጡ ኣውጺኡ ኦክስጅን ሓዊሱ መሊሱ ናብ ሰውነቱ ዝመልእ እዩ። ኣብቲ እዋን ናይ ምትንፋስ ጸገም ጥራሕ ኣይኮነን ኣጋጢምዎ። ብርክት ዝበሉ ተዛመድቲ ሕማማት እዮም ኣጋጠዒሞምዎ። ደሙ ረጊኡ ነይሩ። ኩሊቱ ምስራሕ ጠጠው ኣቢለን፤ መዓልታዊ ዳያሊስስ ይግበረሉ ነይሩ። ናይ ሳንቡኡ ናይ ምትንፋስ ተኽእሎ ናብ 10 ሚኢታዊ ጥራሕ ወሪዱ ነይሩ። ስቴፈን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ እዩ ናብ ቬትናም ኣምሪሑ። ኣብ መንገዲ ኣየር ቬትናም ንምስራሕ፤ ዝሐሸ መሃያ ንምርካብ። ፈላማይ በረርኡ ከካይድ ክልተ መዓልቲ ምስተረፎ፡ ኣብ ከተማ ሆ ቺ ሚን ወጻእተኛታት ናብ ዝህደሱላ ሓንቲ እንዳ መስተ፡ ንዓርኩ ክረክብ ይኣቱ። ኣብቲ እዋን፡ ኣብታ ሃገር ብዝሒ በቲ ለበዳ ዝተጠቕዑ ሰባት 50 ጥራሕ እዮም ነይሮም። እንተኾነ፡ ኣብ ፅባሒትኡ ረስኒ ፈጢርሉ። ኣብታ እንዳመስተ ዝነበሩ ንዕኡ ሓዊሱ 13 ሰባት ኮቪድ-19 ከምዝተለኸፉ ተነጊርዎም። መንግስቲ ነታ እንደመስተ ዓጽዩ፡ ምስቶም ኣብታ እንዳ መሰት ዘምሸዩ ሰባት ዝኾነ ምትንኻፍ ዝነበሮም ተፈልዮም ክጸንሑ ገይሮም። ብሐፈሻ ምስኦም ርክብ ዝነበሮም 4 ሸሕ ሰባት ተወሺቦም። ስቴፈን ግን ጥዕንኡ እናተሸርሸረ መጺኡ። ቬንቲሌተር ክገጥምሉ ተገዲዶም። እቶም ካልኦት ድሒኖም እንትወጽኡ፡ ስቴፈን ግን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናገደዶ ይውዕል። ስቴፈን ብህይወት ክተርፍ ዝኸኣለ፡ ትኹረት ሰብ ሞያ ስለዝረኸበ እዩ ይብሉ። ኣብቲ እዋን ሃላዋቱ ኣጥፊኡ፡ መሳርሒ መተንፈሲ እንትትከልሉ ኣብ ዓለም በኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ ብዝሒ ሰብ 1 ሚልየን ጥራሕ ነይሩ። ስቴፈን ሰነ ሓሙሽተ እንትነቅሕ፡ ብዝሒ ብኮቪድ 19 ዝተትሐዙ ሰባት 7 ሚልዮን በፂሑ ጸኒሑ። ‘ዕድለኛ እየ’ ዝብል ስቴፈን፡ “ኣእጋረይ ግን ንሰብነተይ ምሽካም ኣብዩወን። መዓልታዊ ክልተ ግዜ ፊዝዮቴራ እሰርሕ ኣለኹ” ኢሉ። “ካብ ሓደ ክፍሊ ናብ ካልእ እንትውሰድ ከምኡ’ውን ማሺን እንትግጠመለይ፡ ትዝ ይብለኒ። ካብኡ ወጻኢ ዝዝክሮ ነገር የለን” ኢሉ። ስቴፈን፡ 20 ኪሎግራም ኣጉዲሉ። ምስቲ ዘሕለፎ ጽኑዕ ኩነታት ናይ ኣእምሮ ምህዋኽ ከጓንፎ ይኽእል እዩ’ውን ተባሂሉ። “ሕዚ ናብ ሃገረይ ክኸይድ እየ ዝደሊ። ጸጥ ዝበለ ቦታ ክርኢ ሃጺጸ። ኣብዚ ዓዲ እቲ ሙቐት ከቢድ እዩ። ዝሕል ዝበለ ቦታ ናፊቐ”።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53212594"} {"headline":"መገዲ ኣየር ኬንያ ናብ ቻይና ዝግበሩ በረራታት ሰሪዙ","content":"መገዲ ኣየር ኬንያ፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ካብን ናብን ቻይና ዝግበሩ በረራታት ሰሪዙ። እቲ ቫይረስ ዛጊድ ኣብ ቻይና ልዕሊ 200 ሰባት ዝቐተለ ኮይኑ፡ ኣብ ካልኦት 18 ሃገራት ድማ 98 ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም እዮም። ኣብ ኣፍሪቃ ሽዱሽተ ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ከይኾኑ ስግኣት ዝነበረ ኮይኑ፡ ብዝተገበረ ምርመራ ግን ኩሎም ካብቲ ቫይረስ ነጻ ምዃኖም ተረጋጊጹ ኣሎ። ኣብ ኬንያ፡ ካብ ቻይናዊት ከተማ ዉሃን ዝመጸ ሓደ ተምሃራይ፡ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ሓደ ሆስፒታል ክትትል ክግበረሉ ቀኒዩ እዩ። መገዲ ኣየር ኬንያ እቲ ክልከላ ንኽንደይ ግዘ ክጸንሕ እዩ ኣብ ዝብል ጉዳይ ምስ ሚኒስትሪታት ጥዕናን ጉዳያት ወጻእን ይመክር ከምዘሎ ሓቢሩ። እንተኾነ ናብ ርእሰ ከተማ ታይላንድ ዝኾነት ባንኮክ፡ ዝገብሮ በረራ ክቕጽል ምዃኑ ሓቢሩ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብወገኑ ናብ ቻይና ዝገብሮም በረራታት ከምዘየቋርጽ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ ኣሎ። ተጓዓዝቱን ሰራሕተኛታቱን በቲ ቫይረስ ከይልከፉ ንምክልኻል ድማ ምስ ሰብመዚ ቻይና ይሰርሕ ከምዘሎ እቲ መገዲ ኣየር ገሊጹ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51321887"} {"headline":"መገዲ ኣየር ኢሚሬትስ፡ ኣብ ጉዕዘኦም ኮቪድ-19 ንዝሕዞም ወጻእታት ሕክምናን ቀብርን ክሽፍን እዩ","content":"መገዲ ኣየር ኢሚሬትስ፡ ተጓዓዝቲ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣቋሪጾምዎ ናብ ዝነበሩ መገሻታት ንክምልሱ ንምትብባዕ፡ ናፃ ናይ ኮቪድ-19 መድሕን ብምሃብ ፈላማይ ኮይኑ። እዚ መገዲ ኣየር ኣቕሪብዎ ዘሎ መድሕን፡ ተጓዓዝቲ ኣብ ጉዕዘኦም በቲ ቫይረስ እንተድኣ ተለኺፎም፡ ናይ ሕክምና፣ ኣብ ሆቴል ናይ ዝውሸብሉን ከምኡ'ውን ድማ ናይ ቀብሪ ወፃእታት ዝሽፍን እዩ። መገዲ ኣየር ኢሚሬትስ፡ ኣብ መፈለምታ ናይ'ዚ ወርሒ፡ 9 ሽሕ ሰራሕተኛታቱ ከጉድል ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊፁ ነይሩ። ኣቦወንበር እቲ መገዲ ኣየር ሸኽ ኣሕመድ ቢን ኣል ማክቱም \"ዋላ'ኳ ኣብ ዓለም ዘለዉ ዶባት መሊሶም እንተተኸፈቱ፡ ሰባት ዶባት ኣቋሪፆም ንክጓዓዙ ከምዝፈርሑ ንፈልጥ ኢና። ኣብ ጉዕዘኦም ዘይተሓሰበ ነገር ከየጋጥሞም ድማ ውሕስነት የድልዮም\" ኢሉ። እዚ ህያብ ውሕስነት፡ ተጓዓዝቲ መገሻ ካብ ዝጀመርሉ ዕለት ን 31 መዓልታት ከምዘገልግል ዝሓበረ እቲ ትካል፡ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ከምዝቕፅል ድማ ኣፍሊጡ። እዚ መድሕን ንኹሎም ተጓዓዝቲ ብነፃ ከምዝኾነ ዝገለፀ እቲ መገዲ ኣየር፡ ንሕክምና ክሳብ 176,500 ዶላር ከምዝሽፍን ኣፍሊጡ። ተጓዓዝቲ ኣብ ሆቴል ንዝውሸብሉ ድማ፡ ንክልተ ሰሙን ንመዓልቲ ክሳብ 100 ዩሮ ክኽፈለሎም እዩ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ተጓዓዝቲ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም እንተሞይቶም ድማ፡ ስርዓተ ቀብሮም ንምፍጻም ክሳብ 1500 ዩሮ ክኸፍል እየ ኢሉ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53563844"} {"headline":"ታሪኻዊ በረራ መንገዲ ኣየር እስራኤል ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ","content":"እስራኤልን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ንፈለማ እዋን ሎሚ ሰኑይ ብንግዳዊ በረራ ተራኺበን። ላዕለዎት ሰበስልጣን እስራኤልን ኣመሪካን ዝጸዓነት ነፋሪት መንገዲ ኣየር እስራኤል፡ 'ኤል ኣል'፡ ሎሚ ካብ እስራኤል ተበጊሳ ድሕሪ ናይ 3 ሰዓታት በረራ ኣብ ከተማ ኣቡ-ድሃቢ ዓሊባ። እቲ ፍጻመ ኣብ ዝምድና ክልቲአን ሃገራትን፡ ማእከላይ ምብራቕን \"ታሪኻዊ\" ተባሂሉ ይግለጽ ኣሎ። ብዘይካ'ዚ እታ ፈላሚ ንግዳዊ በረራ ዘካየደት ነፋሪት፡ ብክሊ ኣየር ሱዕዲ ክትሓለፍ ምኽኣላ'ውን፡ ነቲ ፍጻመ ዝያዳ ኣዕዚዝዎ ኣሎ። ሰማያት ስዑዲ ዓረብ ንዝኾነ ናይ እስራኤል በረራታት ክልኩል'ዩ ጸኒሑ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ እስራኤልን ኢማራት ዓረብን ዲፕሎማስያዊ ዝምድንአን ንምምሕያሽ ተሰማሚዐን ምንባረን ይዝከር። ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ንእስራኤል ኣፍልጦ ዝሃበት ሳልሰይቲ ዓረባዊት ሃገር ኮይና ኣላ። ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ኢማራት ዓረብ፡ ነቲ ካብ 1972 ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ንእስራኤል ዝእግድ ኣብያ ኣልዒላቶ'ያ። ኣብ መጀመርታ ወርሒ ነሓሰ ድማ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ቀጥታዊ መስመራት ተሌፎን ተኸፊቶም ነይሮም። እቲ ብመንጎኝነት ኣመሪካ ክዉን ዝኾነ ምምሕያሽ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና እተን ሃገራት፡ ብ13 ነሓሰ'ዩ ሃንደበት ብወግዒ ተገሊጹ። እታ ቁጽሪ በረራኣ ናይ ኢማራት ዓረብ ኮድ ቴለፎን (LY971) ዝተዋህባ ነፋሪት፡ ንፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሰብኣይ ጓሉን ኣማኻሪኡን ዝኾነ ጃረድ ኩሽነርን፡ ኣማኻሪ ጸጥታዊ ጉዳያት እስራኤል ሜር በን-ሻባትን ሒዛ ከምዝተጓዕዘት ተፈሊጡ። እቲ ስምምዕ ብወግዒ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ጃረድ ኩሽነር ምስ ሰበስልጣን ክልቲአን ሃገራት ብምስጢር ክዘራረብ ምጽንሑ ይግለጽ። ምስታ ነፋሪት ኣብ ኣቡ-ዳሃቢ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ቃል ድማ፡ ነቲ ፍጻመ \"ታሪኻዊ ዓወት\" ክብል ገሊጽዎ። \"እዚ ክኸውን ዝኻኣለ፡ ሰለስተ ዓበይቲ መራሕቲ ብሓባር ተራኺቦም፡ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ኢደ-ጽሕፈት ብምቕያሮም'ዩ። መጻኢ ብሕሉፍ ክውሰን የብሉን ብምባል\" ክብል ኩሽነር ዝተሰምዖ ሓጎስ ገሊጹ። እቶም ሰበስልጣን ምስ ናይ ኢማራት ዓረብ መዛንኦም ብምርኻብ፡ ኣብ መንጎ ክልቲን ሃገራት ምትሕግጋዝ ዝምዕብለሉ ኣብ ዘተኮሩ ጉዳያት ርክባት ከካይዱ መደብ ኣለዎም። እታ ነፋሪት ኣብ መልሳ፡ ቁጽሪ በረራኣ ናብ ናይ እስራኤል ኮድ ቴለፎን ክቕየር ምዃኑ'ውን ተፈሊጡ'ሎ። እስራኤል፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ንግስነት ሱዕዲ ዓረብን ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ኢራን ተሪር ተቓውሞ ዘለወን ሃገራት ምዃነን ይፍለጥ። እተን ካልኦት ክልተ ምስ እስራኤል ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ዝጸንሐን ሃገራት ዓረብ ግብጽን ዮርዳኖስን እየን።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53976553"} {"headline":"ፓኪስታን፡ ኣብ መንበሪ ገዛውቲ ዝወደቐት ነፋሪት ህይወት 97 ሰባት ቀዚፋ","content":"ነፋሪት መገዲ-ኣየር ፓኪስታን፡ ካብ ላሆር ተበጊሳ ኣብ ከተማ ካራቺ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ገዛውቲ ብምውዳቃ፡ በቲ ሓደጋ ብውሑዱ 97 ሰባት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ። እታ PK8303 ኤየር ባስ A320 ዝብል ናይ በረራ መለለዪ ቁጽሪ ዝነበራ ነፋሪት፡ 91 ገያሾን 8 ሰራሕተኛታትን ሒዛ ምንባራ ተገሊጹ። እታ ነፋሪት፡ ቅድሚ ምውዳቃ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ክትዓልብ ፈቲና ከምዘይሰለጣን፡ ካልኦይ ግዜ ኮሊላ ክተምለስ ከላ ሞቶረ እታ ነፋሪት ከምዝተበላሸወ ሰብመዚ እታ ሃገር ገሊጾም። ካብቲ ሓደጋ ክልተ ሰባት ከምዝደሓኑ ተረጋጊጹ'ሎ። ጠንቂ እቲ ሓደጋ እንታይ እዩ? ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ እንታይ ምዃኑ ክሳብ ሕጂ ኣይተገልጸን። እታ ነፋሪት ክትዓልብ ቀዲሙ ፍቓድ ተዋሂብዋ እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ፓይሎት ከም ዝተደናጎየ ይግለጽ። ሰብመዙ ሲቪል ኣቨየሽን ንሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ መዕለቢ ጎማታት እታ ነፋሪት ምዝርጋሕ ኣብዩ ክኸውን ከም ዝኽእል ይዛረቡ። እታ ነፋሪት ብኸመይ ከምዝወደቐት ዝምርምር ኣካል ድሮ ተመስሪቱ'ሎ። እታ ነፋሪት ኣብ 2014 እያ ኣብ ስራሕ ኣቲያ። እዚ ሓደጋ ነፋሪት፡ ፓኪስታን ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣንቢራቶ ዝጸንሐት እገዳ በረራ ምስ ኣልዓለት'ዩ፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ዘጋጥም'ዘሎ። ፓኪስታናውያን፡ ብዓል ሮመዳን ንምብዓል ካብ ከተማታትን ዓድታት ብዙሕ መገሻታት ይገብሩ ኣለው። ብመሰረት ሰብመዚ እታ ከተማ፡ ክሳብ ሕጂ 97 ሰባት በዚ ሓደጋ ሞይቶም ከምዘለውን፡ እንተኾነ ግን፡ እቶም ዝሞቱ ኣብ ነፋሪት ዝነበሩ ድዮም ወላ ኣብ ኣብ ገዛውቶም ዝጸንሑ ጨቡጥ ሓበሬታ ከምዘየለ ተገሊጹ። ካብቶም ዝደሓኑ ሓደ: ኣካያዲ ባንኪ ፑንጃብ ከምዝኾነን፡ እቲ ካልኣዩ ድማ መሓመድ ዙቡርን ከምዝበሃሉ መዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቓሊሐን። ካልኦት ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ከምዘለው ወላ እንተተገልጸ፡ ዝተረጋገጸ ነገር ግን የለን። ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ኢምራን ከሃን፡ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ \"ኣዝዩ ከምዝጎሃየ\" ድሕሪ ምግላጽ፡ ቕልጡፍ መርመራ ከምዝካየድ ተመባጺዑ። ኣብ ፓኪስታን እዚ ሓደጋ ነፋሪት ናይ መጀመርታ ኣይኮነን። ኣብ ጥሪ 2010፡ ብሓደጋ ነፋሪት 152 ሰባት ከምዝሞቱ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብ 2012'ውን፡ ቦዎንግ 737-200 ዝዓይነታ ነፋሪት ብምሕምሻሻ፡ 121 ሰባት ከምዝሞቱ ይፍለጥ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52766065"} {"headline":"ስግኣት ለበዳ ኮሮናቫይረስን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን","content":"ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሕጂ'ውን ብኣስጋኢ ኩነታት ይቕጽል ኣሎ። እቲ ቫይረስ ክላባዓሎም ልዑል ተኽእሎ ከም ዘለወን ካብ ዝግለጻ ሃገራት ሓንቲ ኢትዮጵያ ምዃና ውድብ ጥዕና ዓለም ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ኣፍሊጡ እዩ። ኢትዮጵያ ምስ ቻይና ቀጥታውን ብብዝሕን ምንቅስቓስ ገያሾ ስለ ዘለዋ ነቲ ቫይረስ ዝያዳ ተቓላዒት ከም ዝገብራ እቲ ውድብ ሓቢሩ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ናብ ቻይና ብዝገብሮ ነፍሲ ወከፍ በረራ፡ እቲ ቫይረስ ናብ ኢትዮጵያ ዝአትወሉ ተኽእሎ ከም ዝውስኽ ዝገልጹ ናይ ተቓውሞ ድምጽታት ይስምዑ ኣለው። ካብ መንጎ እቶም 'እቲ መገዲ ኣየር ናብ ቻይና ዝገብሮ በረራ ከቋርጽ ኣለዎ' ዝብሉ ሓደ ዝኾነ በዓል ሞያ ጥዕና ዶክተር የሺዋስ መኳንንት እዩ። ዶክተር የሺዋስ ንባህርያት እቲ ሕማምን ስርዓተ ጥዕና ኢትዮጵያን ኣብ ግምት ብምእታው፤ እቲ ሕማም ናብታ ሃገር ምስ ዝኣትው፡ ከስዕቦ ዝኽእል ክሳራ \"ብቐሊሉ ዝግመት ኣይከውንን\" ይብል። \"ብዘሎና ስርዓተ ጥዕና፡ ኣይኮነን ኮሮናቫይረስ፡ ነቶም ቀለልቲ ዝበሃሉ ለበዳታት'ውን ክንቆጻጸር ኣይከኣልናን\" ዝብል ዶክተር የሺዋስ ከም ኣብነት ኣብ ድሬዳዋ ንዝተርኣየ ቺኩንጉንያ ንምቁጽጻር ናይ መሰረታዊ መድሓኒት ሕጽረት ኣጋጢሙ ምንባሩ የረድእ። \"ኣነ ኣብ ድሬዳዋ እየ ዝሰርሕ። ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ፡ ለበዳ ቺኩጊንያ ዝበሃል ቫይረስ ኣጋጢሙ፡ ፓራሴታሞል ተሳኢኑ፡ ኣብ ሆስፒታል ናይ ዝደቀሱ ሕሙማን ኣካላዊ ረስኒ ንምጉዳል፡ ጨርቂ ኣብ ማይ ብምእላኽ ኢና ንጥቀም ኔርና። እዚ ስርዓተ ጥዕና ንኮሮናቫይረስ ክከላኸል ይኽእል እዩ ምባል ከቢድ እዩ\" ይብል። \"ንኣካላዊ ረስኒ ብምዕቃን ንሕሙማት ምልላይ ኣይከኣልን'ዩ። ሓደ ሰብ ንምልክታት እቲ ሕማም ከየርኣየ 14 መዓልትታት ክጸንሕ ይኽእል እዩ። ናብዚ ዓዲ ዝኣትው ሰባት፡ ምስ ዝኾነ ሰብ ከይተራኸቡ ክጸንሑ ይግባእ። እዞም ሰባት ግና ምስቲ ሕብረተሰብ ተሓዋዊሶም እዮም ዘለው። \"ሐደ እቲ ምልክታት ዝተርኣዮ ሰብ ኣብ ኣኽሱም ኣሎ ምስ ተባሃለ፡ ኣዝየ'የ ሓዚነ። እቲ ቫይረስ እኳ ኣብ 6 ጫማ [2 ሜትሮ] ርሕቀት ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝመሓላለፍ እዩ። እዚ ሰብ ኣክሱም ክሳብ ዝበጽሕ ምስ ክንደይ ሰባት ተራኺቡ ይኸውን?\" ክብል እቲ ዶክተር ይሓትት። ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ክሳብ ጥሪ 24 2012 ኣ.ኢ ብመዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝሓለፉ 47,162 ገያሾ ናይ ኣካላዊ ረስኒ መርመራ ከም ዝተኻየደሎምን ካብኢኣቶም እቶም 1,695 ካብተን እቲ ቫይረስ ዝተርኣየለን ሃገራት ምዃኖም ሓቢሩ። ካብ ቻይና ዝመጹ ኩሎም ገያሾ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን ኣድራሽኦም ተመዝጊቡ፤ ን 14 መዓልትታት ክትትል ከም ዝግበረሎም 'ውን ተገሊጹ። ክትትል ክግበረሎም ምዃኑ ዝተገለጹ ልዕሊ 1,600 ሰባት ናብቲ ማሕበረሰብ ተጸምቢሮም ኣለው። ካብዚኣቶም በጻብዕ ዝቑጸሩ'ውን በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ እንተኾይኖም፡ ክሳብ ሕጂ ምስ ክንደይ ሰባት ከም ዝራኸቡን፡ እቶም ንኣታቶም ዝረኸቡ ሰባት ምስ ክንደይ ሰባት ከም ዝራኸቡን ብምግማት፤ እቲ ቫይረስ ብቐሊሉ ክላበድ ከም ዝኽእል ዝገልጹ ብዙሓት እዮም። ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ኣውስትራልያ ዜጋታታ ካብ ቻይና ምግዓዛ ዝዝከር እዩ። ግና፡ ኣውስትራልያ፡ ኣካላዊ ረስኒ ዜጋታታ ዓቂና ናብ ዓዶም ከም ዝኣትው ዘይኮነ፡ ን14 መዓልትታት ኣብ ዝተፈለየ ደሴት ከም ዝጸንሑ እያ ገይራ። መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ካብ ቻይና ዝተመለሱ ዜጋታቱ ን14 መዓልትታት መጽንሒ ስፍራ ብምድላው ተመሳሳሊ ስጉምቲ እዩ ወሲዱ። ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ግና እቲ ቫይረስ ምስ ዝኽሰት ኣርባዕተ ተሽከርከርትን ኣርባዕተ ትካላት ጥዕናን ዝርከብዎ ጉጅለ ነቲ ስራሕ ተፈልዩ ይንቀሳቐስ ምህላው ኣፍሊጡ። ስግኣት ሰራሕተኛታት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ቻይና ዝበሩ ሰራሕተኛታት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነቲ ሕማም ክንቃላዕ ንኽእል ኢና ዝብል ስግኣት ከምዘለዎም ንቢቢሲ ተዛሪቦም። እቲ ቫይረስ ምስተርኣየ ናይ ቻይና ዝበረሩ ኣአንገድትን፡ ብኻሊእ መስመር ዝበረሩ ካፒቴንን፡ እቲ መገዲ ኣየር ናብ ቻይና ዝገብሮ በረራ ምቕጻሉ ነቲ ቫይረስ ከቃልዖም ከምዝኽእል ገሊጾም። ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ኣዲስ ኣበባ - ባንኮክ - ሆንግ ኮንግ - ባንኮክ - ኣዲስ ኣበባ ዝተጉዓዘት ኣአንጋዲት በረራ፡ ንሳ ትኹን ካልኦት መሳርሕታ ናብ ቻይና ናይ ምብራር ድልየት ከምዘይብሎም ትዛረብ። \"ኣብቲ ሕዚ ዘሎ ኩነታት፡ ዋላ ሓደ ናብ ቻይና ንምብራር ድልየት ዘለዎ የለን። ስራሕና ምትንኻፍ ዝበዘሖ እዩ። ሰባት ዝተገልገሉሉ ሶፍትን ማንካን ንነክእ ኢና። ተጠንቂቕኻ እትርሕቖ ነገር ኣይኮነን። በመንጽር እቲ ዘሎ ኩነታት ዝኾነ ሰብ ክኸይድ ኣይደልን። ነቲ ኩነታት ከቢድ ዝገብሮ ድማ ናብ ቻይና ኣብ እንገብሮም ዝተወሰኑ በረራታት ጓንትን ናይ ኣፍንጫን ኣፍን መከላኸሊ ማስክን ክንገብር ኣይፍቀድን\" ትብል። ካሊእቲ ቢቢሲ ዘዘራረባ ኣአንጋዲት ድማ፡ እቲ ቫይረስ \"ኣስጋኢ ኣይኮነን\" ኣብ ዝበሃለሉ ከባቢታት እንትበሩ ማስክ ክገብሩ ከምዘይፍቀደሎም ተዛሪባ። እተን ኣአንገድቲ በረራ ኣብ ዝተመረጹ በረረታት ጥራይ'ዩ ማስክ ክንገብር ዝፍቀደልና ካብ ዝብል ቅሬታ ብተወሳኺ እቲ መገዲ ኣየር ንሰረሕተኛታቱ እኹል ማስክታት ከምዘየቕርብ ይገልጻ። \"ብዛዕባ እቲ ቫይረስ ዝገልጽ በዓል ሰለስተ ገጽ ሓበሬታ ተዋሂቡና እዩ። እኹል ማስክ ግን የለን\" ብምባል ንሳን መሓዙታን ብሓደ ማስክ ጥራይ ሽዱሽተ በረራታት ክገብራ ከምዝተገደዳ ትገልጽ። ናብ ካሊእ መስመር ዝበርር ካፒቴን ድማ፡ መገዲ ኢትዮጵያ፡ ንቻይና ምስ ኩለን ሃገራት ኣፍሪካ ዘራኽብ ስለዝኾነ፡ \" ዋላ'ኳ ኣነ ናብ ቻይና እንተዘይበረርኩ፡ ብዙሓት ካብ ቻይና ዝተበገሱ ተጓዓዝቲ ናብ ኣፍሪካ፣ ማእኸላይ ምብራቕንን ካልኦት ከባቢታትን ሒዝና ንበርር ኢና። እዚ ድማ ስግኣት ፈጢሩለይ እዩ\" ይብል። ሰራሕተኛታት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘልዓሉዎም ስግኣታት ኣመልኪትና ካብቲ መገዲ ኣየር መልሲ ንምርካብ ብቴሌፎንን ኢሜይልን ብተደጋጋሚ ሓቲትና ነይርና። እቲ መገዲ ኣየር መልሲ ከምዝህበና እኳ እንተገለጸ፡ ዛጊድ ግን ዝሃበና መልሲ የለን። ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ዘፈጠሮ ስግኣት ብዙሓት መገዲ ኣየራት ናብ ቻይና ዝገብርዎ በረራታት ደው ኣቢሎም እዮም። መበዛሕተኦም መገዲ ኣየራት ኣመሪካን ኣውሮጳን እንትኾኑ፡ ሓሙሽተ መገዲ ኣየራት ኣፍሪካ 'ውን ናብ ቻይና ምብራር ጠጠው ኣቢሎም እ በቲ ቫይረስ ዝሰግኡ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን 'ውን፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከምቶም ካልኦት፡ ናብ ቻይና ዝገብሮ በረራታት ደው ከብል ይሓቱ ኣለዉ። እቲ መገዲ ኣየር ግን ሕዚ'ውን በረርኡ ኣየቋረጸን። እቲ መገዲ ኣየር፡ ዋካ'ኳ ብዙሓት ሰባት ካብ ቻይና ዘጓዓዕዝ እንተኾነ፡ መብዛሕተኦም ዓማዊሉ ኣቋሪጾም ናብ ካልኦት ሃገራት ዝኸዱ እምበር ኣብታ ሃገር ዝጸንሑ ከምዘይኮኑ፡ እዩ ዝገልጽ። ብተወሳኺ፡ ተጓዓዝቲ ብኻልኦት መገዲ ኣየራት ናብታ ሃገር ከምዝኣትዉን፡ እቲ መገዲ ኣየር ኣባል 'ስታር ኣልያንስ' ብምዃኑ፡ ካብ ካልኦት መገዲ ኣየራት ቻይናውያን ተጓዓዝቲ ከምዘመላልስ ብምጥቃስ \"እቲ መገዲ ኣየር ናብ ቻይና ዝገብሮ በረራ ኣቋረጸ ኣየቋረጸ ተጓዓዝቲ ምምጸኦም ስለዘይተርፍ፡ ስግኣት እቲ ቫይረስ ቀጻሊ ምዃኑ ኣይተርፍን\" ይብል።ዮም።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51382445"} {"headline":"መዓልቦኣ ስሒታ ናብ ጽርግያ ዝኣተወት ነፋሪት ኢራን","content":"ሓንቲ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ኢራን፡ ማዕልቦኣ ስሒታ ናብ ጽርግያ ኣትያ። ኣብቲ ኣብ ከተማ ማህሻህር ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ክልተ ካብቶም 136 ተጓዓዝቲ ናይ እግሪ መቑሰልቲ ከም ዘጋጠሞም ሓካይም ሓቢሮም። እታ ዶግላስ MD-83 ዝዓይነታ ነፈሪት መንገዲ ኣየር ካስፒያን፡ ካብ ርእሰከተማ ጣህራን ዝተበገሰት'ያ። መግስታዊ ቴሌቭዥን እታ ሃገር፡ ንሓደ ዞባዊ ብዓልመዚ ኣቪየሽን ብምጥቃስ ኣብ ዘቃለሖ ሓበሬታ፡ ኣብራሪ ናይታ ነፋሪት \"ደንጉዩ ስለዘውረዳ፡ ነቲ ማዕልቦ ክስሕቶ ኪኢሉ\" ኢሉ። ከም ሳዕቤኑ ድማ \"እታ ነፋሪት ንመወዳእታ ናይቲ ማዕልቦ ነፈርቲ ሓሊፋ፡ ናብ ዓቢ ጎደና ኣትያ ደው ኢላ\" ክብል መሓመድ ረዛ ረዛይ ተዛሪቡ። ሓደ ኣብታ ነፋሪት ዝነበረ ጋዜጠኛ ብወገኑ፡ ናይ ድሕሪት ጎማ እግሪ ናይታ ነፋሪት ከም ዝሞለቆን፡ ብኸብዳ ከም ዘንሸራተትን ገሊጹ። ብዓል መዚ ኣቪየሽን ኢራን፡ ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ንምፍላጥ መርመራ ጀሚሩ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ'ሎ። ኢራን፡ ብድኹም ናይ ኣቪየሽን ውስነት እትፍለጥ ሃገር'ያ። ኣብ ለካቲት 2019 ኣብ ዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት 66 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ብተመሳሳሊ፡ ኣብ 2011፡ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢራንኤየር ክትዓልብ እንከላ ብምሕምሻሻ'ውን፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም። ሕብረት ኣውሮጳ፡ ንክልተ መንገዲ ኣየራት ኢራን፡ ብሰንኪ ናይ ውሕስነት ስግኣታት፡ ናብ ክሊ ኣየሩ ከይበራን ወይ ተሪር ቁጽጽር ክግበረለንን ወሰኒ'ዩ። ኢራን፡ ኣብ 2015 ስምምዕ ኑክሌር ድሕሪ ምፍራማ፡ ንዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ማዕቀባት ምስ ተላዕለላ፡ ነተን ዝኣረጋ ነፈርታ ንምጽጋንን ንምምሕያሽን ውጥን ነይሩዋ። ይኹን እምበር፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ስልጣን ምስ ደየበ፡ ኣብ 2018 ካብቲ ስምምዕ ብምስሓቡ፡ እቲ ዝነበረ ማዕቀባት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኒፈርቲ ከይትገዝእ ዝገብር ተወሰኽቲ ካልኦት እገዳታት'ውን ኣንቢሩላ ይርከብ። እዚ ናይ ሎሚ ሰኑይ ሓደጋ፡ ክልተ ሳምንታት ድሕሪ'ታ ብሚሳይላት ኢራን ተሃሪማ ዝወደቐት መንገዲ ኣየር ዩክሬን'ዩ ዘጋጠም ዘሎ። ኣብታ ቦይንግ 737-800 ዝዓይነታ ነፋሪት፡ ተሳፊሮም ዝነበሩ 176 ኩሎም ከም ዝሞቱ ይዝከር።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51267790"} {"headline":"ዝተፈላለዩ መገዲ ኣየራት - ካብን ናብን ቻይና ዝግበር በረራ ይስርዙ'ለዉ","content":"ኣብ ቻይና ዝተወለዐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ስኢቡ፡ መገዲ ኣየር ብሪቲሽን ካልኦትን ካብን ናብን ቻይና ዝግበር ቀጥታዊ በረራታት ሰሪዞም። ብሪቲሽ ኣየርወይስ ናብ ቻይና ዝግበር ቀጥጣዊ በረራ ዝሰረዘ፤ ብዘይካ ኣገደስቲ ርክባት ኩሎም ካብን ናብን ቻይና ዝግበሩ ጉዕዞታት ክተርፉ ድሕሪ ምውሳኑ እዩ። እቲ ሕማም ዛጊድ ንሞት ልዕሊ 100 ሰባት ምኽንያት ዝኾነ እንትኸውን፤ ኣብ መላእ ቻይናን ኣብ 16 ሃገራት ዓለምን ብቅልጡፍ እናስፋሕፈሐ ይርከብ። ብኣማኢቲ ዝቑጸሩ ኣብታ መንቀሊት እቲ ሕማም ዝኾነት ከተማ ዉሃን ዝነበሩ ወጻእተኛታት እቲ ከባቢ ለቒቖም ክወጽኡ ተገይሩ እዩ። መንግስቲ እንግሊዝ ድማ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ልዕሊ 300 እንግሊዛውያን ንምውጻእ ኣብ ምድላው ይርከብ። ጃፓን ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮፓን'ውን ብተመሳሳሊ ዜጋታቶም ካብቲ ከባቢ ንምልጋስ ይንቀሳቐሱ ኣለዉ። ብዙሓት ሃገራት ዜጋታቶም ካብታ ከተማ እናውጽኡ ይርከቡ። 53 ደቂ ኒውዝላንድ፣ 200 ጃፓናውያን ካብ ከተማ ዉሃን ናብ ዓዶም ክውሰዱ እንከለው፤ 650 ጃፓናውያን ድማ ይጽበዩ ኣለዉ። ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ሂትረው ተላዒሉ መዓልታዊ በረራ ዘካይድ መንገዲ ኣየር እንግሊዝ ክሳብ ጃንዋሪ 31 ዘለዉ በረራታት እዩ ሰሪዙ። ካብኡ ድማ፡ ነቲ ኩነታት መሊሱ ከምዘጽነዖ ኣብቲ ዘውጸኦ መግለጺ ኣብሪሁ። \"ንዓማዊልና ይቕረታ ንሓትት፤ እንተኾነ ጥዕናን ደሕነትን ሰራሕተኛታትና ኮነ ዓማዊልና ኢና ነቕድም\" ይብል እቲ ዝተውሃበ መገለጺ። ዩናይትደ ኣየርላይንስ፣ ኣየር ካናዳ፣ ናይ ኢንዶኒዥያ ላዮን ኣየር ናይ ሩስያ ኡራል ኣየርላይንስ ናብ ቻይና ዝግበር በረራ ሰሪዞም እዮም። ዩናይትድ ኣየርላይንስ ካብ ኣመሪካ ናብ ቤጂንግ፣ ሆንግኮንግን ሻንጋይን ዝግበሩ ብሓፈሻ 24 በረራታት ሰሪዙ። ዛጊድ ቁጽሪ በቲ ሕማም ዝሞቱ ቻይናውያን 132 በጺሑ ኣሎ። ካብ ፈረንሳ ቀጺላ ብቲ ሕማም ዝተለኸፉ ዜጋታት ዝረኸበት ጀርመን እንትትኸውን፤ ዛጊድ ኣርባዕተ ዜጋታታ በቲ ሕማም ከምዝተለኸፉ ኣረጋጊጻ። ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ድማ ኣባላት ካብ ከተማ ዉሃን ዝተመለሱ ሓደ ስድራ በቲ ሕማም ከምዝተለኸፉ ኣፍሊጣ። እዚ ብዘይሕጋዊ ናብ ንግዲ ካብ ዝወዓለ እንስሳ ዘገዳም [በረኻ] ከምዝመጽአ ዝዝረበሉ ቫይረስ ዛጊድ ፈውሲ ኮነ ክታበት ኣይተረኸበሉን። እንተኾነ፤ ብርክት ዝበሉ ሰባት'ውን በቲ ሕማም ተታሒዞም ከምዝሐሾም ተገሊጹ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51280973"} {"headline":"ጨኒኹም' ተባሂሎም ካብ ነፋሪት ክወርዱ ዝተገደዱ ስድራቤት ናብ ቤት ፍርዲ ከሲሶም","content":"ኣብ ኣመሪካ፡ ናብ ቦትኦም ዝኸዱ ዝነበሩ ስድራቤት፡ 'ጨኒኹም' ተባሂሎም ካብ ነፋሪት ክወርዱ ብምግዳዶም፡ ነቲ መንገዲ ኣየር ከሲሶሞ። ዩሁዳ ዮሴፍ ኣድለ፣ ብዓልቲ ቤቱ ጀኒን ንእሽቶ ጓሎምን ናብቲ ዝነብርሉ ክፍለሃገር ሚሺጋን ንምብራር ኣብ ከተማ ማያሚ ኣብ ዝተበገሱሉ እዋን'ዮም እቲ ፍጻመ ኣጋጢምዎም። ኣባላት በረራ ናይታ ነፋሪት፡ ነቲ ዝኽተልዎ ኣይሁዳዊ እምነት ('ኦርቶዶክስ ጂዊሽ') ዘነኣእስ ርእይቶ ከም ዝገለጹ ይኸሱ። መንገዲ ኣየር ኣመሪካ (ኣመሪካን ኤየርላይንስ) ብወገኑ፡ እቶም ስድራቤት ብሰንኪ እምነቶም ካብታ ነፋሪት ክወርዱ ከም ዘይተገብሩ ገሊጹ። ካልኦት ተጓዓዝቲ፡ ኣቶ ኣልደር 'ጨንዩና' ኢሎም ስለዘማረሩ'ዮም ክውረዱ ተገይሮም ይብል። ይኹን እምበር፡ እቲ ስድራቤት፡ ኣብ ክፍለሃገር ቴክሳስ ኣብ ዘቕረቦ ክሲ፡ ጸለመ፡ ስሚዒታዊ ጸቕጥን ኣድልዎን ከም ዘጋጠሞም ከሲሶም ኣለዉ። ኣቶ ኣድለር ከም ዝበሎ፡ ስድራቤቱ ናብታ ነፋሪት ምስ ተሰቕሉ ድሕሪ ሓሙሽተ ደቒቕ ሓንቲ ካብ ኣባላት በረራ መጺኣ፡ ህጹጽ ('ኢመርጀንሲ') ነገር ከም ዘጋጠመ ብምሕባር፡ ካብታ ነፋሪት ክወርዱ ኣዚዛቶም። ካብታ ነፋሪት ምስ ወረዱ፡ እቶም ኣባላት፡ ኣብራሪ ናይታ ነፋሪት ብሰንኪ ጨና ኣካላት ክወርዱ ኣዚዙ ኢሎም ከም ዝሓበርዎም፡ ኣቶ ኣድለር ተዛሪቡ። እቲ ዘቕረብዎ ክሲ ከም ዝሕብሮ፡ ኣባላት በረራ \"ተኸተልቲ 'ኦርቶዶክሳዊ' ኣይሁዳውነት ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ኣካላቶም ከም ዝሕጸቡ ከም ዝፈልጥ ዝገልጽ ዘከሻምሽን ኣነዋሪን ዘረባ ተዛሪቡና\" ይብሉ። ካብታ ነፋሪት ድሕሪ ምውራዶም፡ ነቶም ኣብ መእተዊ ኣፍደገ ዝነበሩ ሰባት፡ ሕማቕ ጨና እንተለዎም ንምርግጋጽ ክጨንውዎም ሓቲቶሞም። ን20 ዝኾኑ ሰባት ሓቲቶም፡ ዋላ ሓደ ሕማቕ ጨና ዝሸተቶ ከም ዘይረኸቡ እቶም ስድራቤት ይገልጹ። ሽዑ ንጉሆ ኣካሎም ከም ዝተሓጽቡ ድማ ኣድለር ጠቒሱ። እቲ ስድራቤት፡ ድሕሪ'ቲ ፍጻመ፡ ናይ ሆቴል ክፍልን መግብን ከም ዝተዋህቦምን፡ ንጽባሒቱ ንጉሆ ምስ እትበርር ዝነበረት ነፋሪት ክጓዓዙ ከም ዝብገሱ ተገይሩ'ዩ። ንብረቶም ምስታ ፈለማ ዝተበገሱላ ነፋሪት ስለዝኸዱ ግን፡ ሳንጣታቶም ምስኦም ኣይነበረን። እቲ መንገዲ ኣየር፡ ንማዕከን ዜና ፎክስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ \"ስድራቤት ኣድለር ካብታ ነፋሪት ከወርዱ ዝተገብረሉ ምኽንያት፡ ሓያሎ ተጓዓዝቲን ኣባላት በረራን ብዛዕባ ጨና ኣቶ ኣድለር ብምምራሮም'ዮም። እቲ ዝተወስደ ውሳነ ንምቾት ተጓዓዝትና ኣብ ግምእ ብምእታዉ ዝተወስደ'ዩ\" ይብል። \"ነቲ ተነቃፊ ዝኾነ ኩነታት ኣብ ምእላይ፡ ኣባላትና ዝወሰድዎ ውሳነ ንሃይማኖት ኣድለር መሰረት ዝገበረ ኣይነበረን\" ኢሉ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51329061"} {"headline":"ኣብ ሽረ እንዳስላሰ 'ተርሚናል' ንምህናጽ ዝነበረ ውጥን ናበይ ኣተወ?","content":"ኣብ ትግራይ ሽረ እንዳስለሰ ተወሊዶም ዝዓበዩ ግራዝማች ሓዱሽ ንሩሑሴን፡ ሎሚ ወዲ 85 ዓመት ሽማግለ እዮም። ዝዓበዩላ ከተማ ኣብ ዘበነ ስርዓት ደርጊ ኣገልግሎት መዕርፎ ነፈርቲ ዘይሰኣነት፡ ሎሚ ብናቶም ኣገላልጻ \"ስርዓት ኢህወዴግ ንክህነጽ ባይታ ዘንጸፈት ሽረ እንዳስላሴ\" ኣብ ዘበነ ህወሓት\/ኢህወዴግ ከመይ ኣገልግሎት ትስእን ኢሎም ምስ መራሕቲ ህወሓት ከምዝተማጎቱ ይዝክሩ። ዋላ'ኳ ህዝቢ እንዳስላሰ ኣገልግሎት ምዕራፍ ኣየር ይግበኣና እዩ እንተበለ፡ መንግስቲ ግን \"ሽረ እንዳስላሰ ኣገልግሎት መዕርፎ ነፈርቲ ካብ ዘለዋ ከተማ ኣኽሱም 60 ኪሎ ሜትር ጥራይ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ስለዝኾነት ኣይንኽፈትን\" ዝብል ጽኑዕ መርገጺ ነይርዎ። \"ደርጊ ዘይከልኣና ኣገልግሎት፡ ደቅና ከመይ ትኸልኡና?\" ዝብል ሓሳብ ሒዞም፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣካቢ ቦርድ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ዝነበረ ኣምባሳደር ስዩም መስፍን ምስ ካልኦት ተወለድቲ ኮይኖም ከምዝኸዱ ዝገልጹ ግራዝማች ሓድሽ ኑርሑሴን፡ \"ክንከስር ስለዘይንደሊ ፈለማ ዕዳጋ ከምዘለዎ ክነጽንዖ ንደሊ ኢና\" ዝብል ኣወንታዊ ምላሽ ተዋሂብዎም ከምዝተመልሱ ሓቢሮም። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዘካየዶ ናይ ዕዳጋ መጽናዕቲ መሰረት ድማ ሰሙናዊ ክልተ ግዜ ካብ ኣዲስ ኣበባ በረራ ክጅመር ተወሲኑ ነፈርቲ ስራሕ ጀሚረን። እቲ ዕዳጋ ተራእዩ ድማ፡ ሓመድ ዝነበረ ናይ ነፈርቲ መጉየይ ጽርግያ ናብ ኣስፋልት ተቐይሩ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ጥራይ ዝነበረ በረራ ናብ መዓልታዊ ተቐይሩ። እንተኾነ ግን ተገልገልቲ ናይቲ መዕርፎ ነፈርቲ፡ በቲ ዛጊድ ዘሎ ኣገልግሎት ሕጉሳት ኣይኮኑን። ነባሪት ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝኾነት መኣዛ ብንግዲ እትመሓደር ስለዝኾነት፡ ካብ ከተምኣ ተበጊሳ ናብ ኣዲስ ኣበባ፣ ዱባይን ቻይናን እትንቀሳቐስ ብመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቢላ እያ። መኣዛ ናይ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ መዕርፎ ነፈርቲ መቐበሊ ኣጋይሽ ተርሚናል ስለዘይብሉ ካብ ወጻኢ ዘእተወቶም ሳናጡ ክሳብ ምቕዳድ ከምዘጋጥማን በቲ ኣገልግሎት ዕግበት ከምዘይብላን እያ ትገልጽ። መዕርፎ ነፈርቲ ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ፡ ናይ ድሕነት ዓንድታት ኮነ መብራህቲ ስለዘይብሉ፡ ነፈርቲ ምሸት ምሸት ኣገልግሎት ክህባ ከምዘይኽእላን ብፍላይ ካብ ነፈርቲ ወሪድካ ናብ መኪና ኣብ እትጓዓዘሉ እዋን እቲ መንገዲ ኮሮኮንች ስለዝኾነ ኣቑሑት ዝሓዙ ሰናጡኣ እናተቐደዱ ንኽሳራ ከምዝዳርጉዋ ትዛረብ። ነፈርቲ ክሳብ ዝመጽኣ እትዘናግዐሉ እንዳሻሂ ኮነ መዕረፊ ኣጋይሽ ስለዘይብሉ ይጨንቀካ እትብል መኣዛ፡ ይትረፍ ምስ ናይ ወጻኢ ዓድታት ክተነጻጽሮስ፡ ኣብ ትግራይ ምስ ዘለዋ ማዕርፎ ነፈርቲ እንትነጻጸር እኳስ ኣዝዩ ትሑት ከምዝኾነ ሓቢራ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ብዙሕ ዓሚል ከምዘለዎን ንዕኡ ዝምጥን መቐበሊ ኣጋይሽ [ተርሚናል] ክህነጽ እዩ ተባሂሉ ዲዛይን ቀሪቡ ኳ እንተነበረ \"ሕልሚ ኮይኑ ምትራፉ\" ከምዘጉሃያ ድሕሪ ምግላጽ፡ በቲ ዘሎ ትሑት ኣገልግሎት ምኽንያት \"ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ከምዘለኹ ትዝ ዝብለኒ ኣብ ውሽጢ ነፋሪት ምስኣተኹ'ዩ\" ብምባል ዕግበት ከምዘይብላ ገሊጻ። ህንጸት ተርሚናል መዕርፎ ነፈርቲ ሽረ እንዳስለሰ፡ ቅድሚ 4 ዓመት ተጀሚሩ ኣብ ዓመቱ ኣገልግሎት ምሃብ ክጅምር እዩ ተባሂሉ መግለጺ ተዋሂብሉ ኳ እንተነበረ፡ ዛጊድ ግን ዋላ ሓንቲ ጅማሮ የለን። ብመንግስቲ ፌደራል እትውነን ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን፡ ኣብ መፈለምታ ኣዋርሕ 2012፡ ህንጸት ተርሚናል መዕርፎ ነፈርቲ ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ፡ ምስ ካልኦት 3 መዕርፎ ነፈርቲ ንኽጅመር ናይ ጨረታ መስርሕ ይሰላሰል ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ምስኣቃልሐት፡ ተገልገልቲ ተስፋ ኣሕዲሮም። እንተኾነ፡ ዛጊድ ዝርአ ህንጸት ብዘይምህላዉ፡ ቅርትኦም ካብ ምግላጽ ዓዲ ኣይወዓሉን። ኣባል ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝኾነት ወ\/ሮ ጽወሃብ ታደሰ፡ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ዝነበረ ኣኼባ ናይቲ ባይቶ፡ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ \"ህዝቢ ትግራይ ኣብ ናትካ ናይ መሪሕነት ዘበን ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ በደል ይበጽሖ ኣሎ\" ድሕሪ ምባል፡ ከም መርኣያ ካብ ዘቕረበቶም መርትዖታት እቲ ሓደ፡ ህንጸት ተርሚናል መዕርፎ ነፈርቲ ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ ኣይተሰርሐን ዝብል እዩ ነይሩ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ግን፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ናቱ ናይ መሪሕነት ዘበን፡ ብፍሉይ ተበዲሉ እዩ ዝብል ሓሳብ ልክዕ ከምዘይኮነ እኳ እንተገለጸ፡ ንህንጸት እቲ ተርሚናል ብዝምከልት ንዝቐረበሉ ሕቶ ግን ኣየብረሆን። ቢቢሲ፡ ብዛዕባ እቲ ንተገልገልቲ ዘማረረ ምጉታት ህንጸት መቐበሊ ኣጋይሽ [ተርሚናል] ኣብ ኢትዮጵያ ንመዕርፎ ነፈርቲ ክሃንጽን ከመሓድርን ስልጣን ንዘለዎ ኢንተርፕራይዝ መዕርፎ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ሕቶ ኣቕሪብሉ፡ እዚ ዝስዕብ ምላሽ ሂቡ። \"ህንጸት እቲ ተርሚናል: ሕጂ'ውን ኣብ መስርሕ ዘሎን፡ ትካል መዕፈፎ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ንክሃንጾም ወጢንዎም ካብ ዘሎ ሸውዓተ ናይ ውሽጢ ዓዲ መዕርፎ ነፈርቲ ሓደ እዩ\" እንተኾነ፡ ሕዚ እውን 'ክስራሕ እዩ' ካብ ዝብል ወጻኢ፡ መዓዝ ተጀሚሩ መዓዝ ከምዝውዳእ ዝሃቦ ምላሽ የለን።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53160894"} {"headline":"ብሰንኪ ርጎድ ካብ 'ቢዝነስ ክላስ' ዝተሰጎጋ ኣዶን ክልተ ደቃን","content":"ክብደት መጉደሊ መጥባሕቲ ንምግባር ኣብ ታይላንድ ዝነበራ ሬነልን ቴረን፡ ኦክላንድ ናብ ዝርከብ ገዝአን ዝመልሰን ናይ 11 ሰዓታት ናይ ኣየር በረራ፡ ኣብቲ ምቾት ዘለዎ 'ቢዝነስ ክላስ' ኮይነን ክጓዓዛ ተሃንጥየን ነይረን። ኮይኑ ግና፡ እዘን ክልተ ኣሕዋትን ኣዲአን ሁሃናን ኣብቲ መዕረፎ ነፈርቲ ዘጓነፈን ኣዝዩ ስምዒተን ዝተንከፈ እዩ ነይሩ። ሰራሕተኛታት መገዲ ኣይር ታይላንድ መዐቀኒ ሜትሮ ሒዞም ብመምጻእ \"ኣዝየን ገዘፍቲ'' ስለዝኾና ኣብ ቢዝነስ ክላስ ክኣትዋ ከምዘይክእላ ነጊሮምወን። እቲ \"ዘናድድ\" ኢላ እትገልጾ ተጓንፎ፡ ዋላ'ኳ ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ዘጋጠመ እንተኾነ፡ ጓል 59 ዓመት ሁሃና ሕዚ'ውን ብዝዘከረቶ ቑጽሪ ኣዝዩ ከምዘሕርቓ ትዛረብ። \"እቶም ሰራሕተኛታት ደጋጊሞም ብዓውታ 'ገዘፍቲ እየን፡ ገዘፍቲ እየን' ይብሉ ነይሮም። ኣብቲ መእተዊ ተሰሊፎም ዝነበሩ ሰባት፡ እቶም ሰራሕተኛታት እንትዕቅኑና ይርእዩ ነይሮም። ዝተገበረልና ኣተሓሕዛ ኣዝዩ ዘሕፍር እዩ ነይሩ፤ በኽየ እየ 'ውን\" ብምባል ትዝክር። ምስቶም ሰራሕተኛታት ዝነበረ ብቋንቋ ናይ ምርድዳእ ጸገም ተሓዊስዎ፡ ኣብ 'ኢኮኖሚ ክላስ' ኮይነን ክበራ ተገዲደን። ሁሃና፡ ከምቲ ብመገዲ ኣየር ታይላንድ ኣብ ባዕላን ደቃን ዝበጽሐ ስነ-ልቦናዊ ጉድኣት ከይበጽሓ ስለእትፈርሕ፡ ክብደት ክሳብ ምንካይ ብኣውሮፕላን ከምዘይትጓዓዝ ትዛረብ። መብዛሕተኦም መገዲ ኣየራት ንረጎድቲ ሰባት ዝኽውን ነዊሕ መዕጥቖ መንበር የቕርቡ እዮም። እቲ መገዲ ኣየር ግን ንገዘፍቲ ሰባት ዝኸውን መዕጥቖ ኣብ ክፍሊ ቢዝነስ ከምዘይብሉ ይገልጽ። እተን ስድራ ነቲ ዘይተጉዓዛሉ ክፍሊ ቢዝነስ፡ ዝኸፈለኦ ገንዘብ ክምለሰለን ነቲ መገዲ ኣየር ሓቲተን ዛጊድ ከምዘይሰለጠን 'ውን ይዛረባ። ነቲ ጉዕዞአን ዘሳለጠለን ወኪል ብወገኑ፡ ሰባት ብኽብደቶም ምኽንያት ካብ ክፍሊ ኢኮኖሚ ናብ ቢዝነስ ክኣትዉ ከምዝግዱ ኢና እንፈልጥ ብምባል ብመገዲ ኣይር ታይላንድ ዝተወሰደ ስጉምቲ ከምዘገረሞ ተዛሪቡ። መብዛሕተኦም መገዲ ኣየራት፡ ሓደ ሰብ እቲ ዝቕመጠሉ ወንበር ኣይኣኽለንን ኢሉ እንተሓሲቡ፡ ተወሳኺ ትኬት ክገዝእ ከምዘለዎ ይገልጹ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51424901"} {"headline":"ወታሃደራዊት ነፋሪት ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ተሓምሺሻ","content":"እታ ብሰኑይ ኣብ ኣፍኒስታን ወዲቓ ዝተሓምሸሸት ናቱ ምዃና ሰራዊት ኣመሪካ ተኣሚኑ። ብናይ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ወዲቓ ኣንተኾይና ዝሃብዎ ገና ከም ዘይተነጸረ ሰብመዚ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ፡ ፔንታጎን ተዛሪቦም። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ሰብመዚ'ቲ ዝወደቐትሉ ከባቢ፡ እታ ነፋሪት ናይቲ ብመንግስቲ ዝውነን መንገዲ ኣየር ኣርያና ምዃና'ኳ እንተ ተዛረቡ፡ እቲ መንገዲ ኣየር ግን፡ ዝወደቐት ነፋሪት ከም ዘይብሉ ብምግላጽ ነቲ ጸብጻብ ነጺግዎ'ዩ። ጉጅለ ጣሊባን፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታቶም ኣብ ዝለጠፍዎ ስእላዊ ሓበሬታ፡ እታ ወዲቓ ዝባህለት ነፋሪት፡ ቦምባርዴር E-11A ዝዓነታ ናይ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ምልክት ዘርኢ'ዩ። ከምዚአን ዓይነት ነፈርቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ሰራዊት ኣመሪካ ንኤለክትሮኒካዊ ስለያ ከም ዝጥቀመለን ይግለጽ። እታ ነፋሪት፡ ኣብ ደቡባዊ-ምዕራብ ርእሰከተማ ካቡል ኣብ ዝርከብ ኣውራጃ ጋዝኒ፡ ድህ ያክ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ'ያ ወዲቓ ክብል ኣፈኛ ዞባዊ ምምሕዳር ንማዕከናት ዜና'ታ ሃገር ሓቢሩ። ኣፈኛ ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሴትድ ፕረስ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኩነታትን ዋንነትን እታ ነፋሪት ንጹር ከም ዘይኮነ ተዛሪባ። እታ ነፋሪት፡ ናይ ኣርያና ዝተባህለ መንገዲ ኣየር ከም ዝኾነት ተገሊጹ'ዃ እንተነበረ፡ እቲ ኩባንያ ግን ሓቂ ኣይኮነን ክብል ገሊጹ'ሎ። \"ኩለን ኣብ በረራ ዝነበራ ነፈርቲ መንገዲ ኣየር ኣርያና፡ ኣብ ማዕልቦአን በጺሕን'የን፡ ዝወደቐት የብልናን\" ክብል ወኪል ናይቲ መንገዲ ኣየር ተዛሪቡ። \"ስለዚ፡ እታ ዝወደቐት ነፋሪት ናይ መንገዲ ኣየር ኣርያና ኣይኮነትን\" ኣፈኛ ጉጅለ ጣሊባን፡ ዛቢሁላህ ሙጃሂድ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እታ ነፋሪት ኣበይ ከም ዝወደቐት ከረጋግጹ ከም ዘይከኣሉ ተዛሪቡ። ዛጊት፡ ብዛዕባ ጠንቂ ናይቲ ሓደጋን ዝወረደ ጉድኣትን ዝተዋህበ ንጹር ሓበሬታ የለን።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51267789"} {"headline":"መበል 23 ዓመት ዝኽሪ ኮሞሮስ፡ ካብ ነፋሪት ወዲቖም ዝደሓኑ ኤርትራዊ","content":"ቅደሚ ዕስራን ሰለስተን ዓመት፡ ልክዕ ከምዛ ትማሊ 23 ሕዳር 1996፡ ብምኽንያት ስራሕ፡ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ካብ ዝነብራ በዓልቲ ቤቶምን ደቆምን ተፈልዮም ኣብ ኣስመራ ዝጸንሑ ኣቦይ ኣስመላሽ ስብሃቱ፡ ንቤቶም ክምለሱ ኣብ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቦይንግ 767 ቲኬት ዓደጉ። ቀዋሚ ዓሚል እቲ መገዲ ኣየር ስለዝነበሩ እምበር እታ ነፋሪት መሊኣ ስለዝነበረት ኣብ ኪዮስኪታት መሻይጦ ትኬት ቦታ ኣይነበረን። ዓሚልነቶም ጠቒሙዎም ግን፡ ኣብታ ዝደለዩዋ ዕለት ቦታ ስለዝረኸቡ ቅድሚ በረራ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ተረኽቡ። ንቡር መስርሕ ምጽራይ መንነትን ጉዳይ ሚዛንን ዝወድኡ ገያሾ፡ ናብታ ነፋሪት ክድይቡ ምስተሰርዑ እቶም ኣቦ ንነዊሕ ግዝያት ዘይረኣዩዎ ኣብ ጎንደር ዝፈልጡዎ ዝፈትዉዎ ዓርኮም ረኸቡ። እቲ ኣጋጣሚ ኣዚዩ ስለዘሐጎሶም ከኣ ክሳብ ናይሮቢ ዝኣትዉ እናዕለሉ መታን ክኸዱ፡ ኣብ ዳሕረዋይ ሸነኽ እታ ነፋሪት ምስ ዓርኮም ስፍራ ሒዛ ምስ ዝነበረት ሰበይቲ ቦታ ተቐያይሮም፡ ብዝሓለፈ ህይወቶም ከዕልሉ ብሓንሳብ ኮፍ በሉ። እንተኾን ነዊሕ ከይከዱ፡ ኣስታት ናይ ድሕሪ 20 ደቓይቕ በረራ፡ ሽዑ 11 ሰባት ምዃኖምን ተተኳሲ ከምዝሓዙን ዘፈራርሑ ጨወይቲ፡ ንፓይሎት እታ ነፋሪት ናብ ኣውስትራልያ ከቕንዕ ኣዘዙዎ። ብመጉልሕ ድምጺ እታ ነፋሪት ገይሮም ከኣ ነብሲ ወከፍ ሰብ ካብ ኮፍ ዝበለሉ ከይንቀሳቐስ፤ ዝኾነ ሰብ ክጻብኦም እንተፈቲኑን መራሕ'ታ ነፋሪት ትእዛዞም እንተዘይኽቢሩን እቲ ከም ቦምባ ኣምሲሎም ዝሓዝዎ ነገር ክፍንጅሩዎ ምዃኖም ብምፍርራሕ ነቶም ገያሾ ኣጨነቑዎም። ኣብታ ነፋሪት ፓይለት፣ ተሓጋገዚኡን ኣሳሰይቲ በረራን ዝርከብዎም ደቂ 36 ሃገራት ብድምር 175 ሰባት እዮም ነይሮም። እቶም ዝተረበሹ ጨወይቲ፡ ነቲ ተሳፋሪ፡ ብመጉልሕ ደምጽን፡ ኣሎና ብዝበሉዎ ናይ ሐሶት ቦምባታትን ድሂሎም ነቲ ፓይለት፡ ነታ ነፋሪት ናብ ኣውስትራልያ ከቕንዓ ይጭቕጭቕዎ ነበሩ። እቲ ፓይለት፡ መገሽኡ ንናይሮቢ ስለዝኾነ እትረፍ ንአውስትራልያ፡ ለይትን መዓልትን ልዕሊ 10 ሰዓት ዘብርር ነዳዲ ከምዘይበሉ እኳ እንተሓበሮም ኣይሰምዕዎን። ይኹን እምበር ደቡባዊ ገማግም ኣፈሪቃ ሒዙ ብምስጢር ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ልዑል ስዒድ ኢብራሂም ኣብ ደሴት ግራንደ ኮሞሮ ክዓልብ እኳ እንተፈተነ እቶም ጨወይቲ ስለዝዓናቐፉዎ ዕምቆት ኣብ ዘይብሉ ገማግም ባሕሪ ክዓልብ ተገዲዱ። እታ ነፋሪት ጽፍሒ ባሕሪ ምስ ተንከፈት ከኣ ምስቲ ዝነበራ ፍጥነትን ክብደትን ኣብ ክልተ ተገሚዓ። እታ ነፋሪት ምስ ወደቐት፡ ነበርቲ እታ ደሴት፣ ኣብ ምዝንጋዕ ዝነበሩ ቱሪስትን ኣብቲ ቦታ ዝጸንሑ ሓካይምን ቀዳማይ ረድኤት ክገብሩ ናብቲ ቦታ ጎዮም። ሓደ ካብቶም ቱሪስተ እታ ነፋሪት ኣብ ዕረፍቲ ንዝነበሩ ገያሾ እታ ደሴት ንምሕጓስ ትሒታ ትበርር ዘላ ናይ ምርኢት ነፋሪት መሲሉዎ ኣብ ኣጋ ምዳቓ ንዝኽርን ታሪኽን ዝኸውን ዘደንቕ ስእላዊ ሰነድ ኣትሪፉ። ንናይሮቢ ክትኣቱ ዝነበራ ነፋሪት ምስ ደንጎየት፡ እታ ጋሻ እተጽበ ዝነበረት ስድራ፡ ብፍላይ ከኣ በዓልቲ ቤቶም ወይዘሮ ጸሃይቱ ሚኪኤል ክጭነቑ ጀሚሮም። ግዜ እናነውሐ ብዝኸደ መጠን እቲ ሻቐሎት እናወሰኸ ስለዝመጽአ ናብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ናብ ዝርከቡ ደቆምን መቕርብን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ክደዋውሉ ጀመሩ። ድሕሪ ቁሩብ፡ እታ ነፋሪት ከምዝተጨውየት ምስተሰምዐ፡ ኣብ ናይሮቢ ዝነበሩ ደቆም ወላዲቶም ከይሰምዓ ክከላኸሉ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝነበሩ ሰለስተ ደቆም ከኣ ምስ ቤተሰብ ተኣኻኺቦም ካብ መስኮት ተለቪዥን ደሃይ ክሰምዑ ኣብ ተሌፎንን ሚድያን ተጸምዱ። ኣብቲ እዋን ኣብ ኣመሪካ ዝነበረት ጓሎም ኤደን ብዛዕባ እቲ ፍጻሜ ዘይትርስዖ ትዝታ ኣለዋ። \" ሓወይ 'ነቦና ዝሓዘት ነፋሪት ደሃይ ኣጥፊኣ ኣላ' ኢሉ ምስ ደወለለይ፡ ተቐላጢፈ፡ ኣብ ጥቓይ ናብ ዝነበረት ሓፍተይ ከይደ ዳርጋ ብዙሓት መቕርብ ኣብ ፊላደልፊያ ኣመሪካ ኣብ ሓደ ኣከባቢ ንነብር ስለዝነበርና ተኣኻኺብና፡ ነንሓድሕድና እናተጸናናዕና፡ ምናልባት ሕማቕ ነገር እንተመጺኡ እንታይ ክንገብር ከምዘለና እናተዘራረብና ደሃይ ክንጽበ ጀሚርና\" ትብል። ኣስዒባ ከኣ \"ድሕሪ ብዙሕ ሸቐልቐል ኣብ ጀርመን ካብ ዝነብሩ ቀረባ ቤተ-ሰብ ኣቦና ኣብ ተሌቪዥን ቃለ መሕትት ክገብር ከምዝረኣዩዎን ከምዝደሓነን ምስተነግረና ኣስተንፊስና፤ ግን ከኣ በቶም ሽዑ መዓልቲ ብዘይሓሰቡዎ መገዲ ብሕማቐ ዝጠፍኡ መጋይሽቱ ቖልዓ፣ ሰበይትን ዓበይትን ብዙሕ ጉሂና\" ብምባል ሕሉፋ ትዝክር። መስበርቲ መንኩብ ኣጋጢሙዎ ኣብ ሆስፒታል ዝኣተዉ ኣቦይ ኣስመላሽ ንሓካይም እቲ ሆስፒታል ስልኪ ከደዉሉዎም ብምሕታት፡ ነታ ዋላ'ኳ ደሃይ ጀርመን እንተሰምዐት ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ዝነበረት ስድራ ብድምጾም ደሓን ምህላዎም ኣበሲሮሙዋ። ሽዑ ዝነበረ ሓጎስን ሓዘንን ዝተፈራረቖ ህሞት ኣብቲ ገዛ ክሳብ ሕጂ ኣይርሳዕን እዩ። ካብታ እዋንን እቲ ዕለትን ንደሓር እታ ዕለት ከም ዳግማይ ልደት ኣቦይ ኣስመላሽ ኮይና ትበዓል ኣላ። ኣብዛ ዕለት እምበኣር ኣቦይ ኣስመላሽ ካብቲ 83 ዓመት ዕድሜኦም፡ ዳግማዊ ልደቶም የብዕሉ። እዞም ካብ ሰማይ ናብ ባሕሪ ወዲቓ ካብ ዝተኸስከሰት ነፋሪት ዝደሓኑ በዓል ጸጋ ዕድመ ኣቦ፡ ነቲ ዘጋነፎም ፈጻሜ እትትርኽ ንእሽቶ መጽሓፍ ብምሕታም ነቲ ናይ ሰማያት ናይ ጨወይቲ ዕግርግርን ናይ ዓበይትን ሕጻናትን ሻቕሎትን ሰኒዶምዎ ኣለዉ። ካብቶም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ 175 እቶም 125 ክሞቱ እንከለዉ ሓምሳ ሰባት ከኣ ከቢድን ፈኪስን ጉድኣት ወሪዱዎም ደሒኖም። ካብቶም ፓይለትን ተሓጋገዚኡን ዝርከቡዎም ዓሰርተ ክልተ ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪት፡ ሽዱሽተ ድሒኖም እቶም ፍርቆም ግን ዕራርቦ ጸሓይ እታ ዕለት ክርእዩዋ ዕድል ኣይገበሩን። ካብ መንጎ እቶም ተጓዓዝቲ ዉሩይ ናይ ኲናት ጋዜጠኛን ኣሕታሚ ሰላምታ እተሰምየት መጽሄት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን መሓመድ ኣሚን ይርከቦም። ኣብታ ነፋሪት ሓያሎ ሰበስልጣናት ዝተፈላለያ ሃገራት ከምዝነበሩ እውን እቲ ድሒሩ ብማዕከናት ዜና ዝወጽአ ጸብጻብ የረጋግጽ። ነቲ ነፋሪት ዝመርሕ ዝነበረ ፓይለት ሰሎሞን ኣባተን ተሓጋጋዚኡ ዮናስ መኩርያን ከኣ ብዘርኣዩዎ ብቕዓት ምምራሕ፡ ብትካል ብቕዓት ድሕነት በረራ ተሸሊሞም'ዮም።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/42077454"} {"headline":"ኣብ ኢራን ብዝወደቐት ነፋሪት መጓዓዝያ መገዲ ኣየር ዩክሬን 176 ሰባት ሞይቶም","content":"ቦይንግ-737 ዝዓይነታ፡ 176 ሰባት ዘሳፈረት ናይ ዩክሬን ነፋሪት ኣብ ኢራን ከምዝወደቐት መራኸብቲ ብዙሓን እታ ሃገር ጸብጺበን። ብዓለምለኻዊ መገዲ ኣየር ዩክሬን እትውነን ነፋሪት፡ ኣብ ከተማ ቴህራን ካብ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ኢማም ኮሜኒ ምስተበገሰት ብዙሕ ከይጸንሐት እያ ወዲቓ ኢሉ ሃገራዊ መደብር ዜና ፋርስ። እታ ነፋሪት ናብ ርእሰ ከተማ ዩክሬን ኬየቭ እያ ትጓዓዝ ነይራ። ዝበዝሑ ተሳፈርቲ ድማ ኢራናውያንን ካናዳውያንን ከምዝኾኑ ተፈሊጡ። ሚንስቴር ጉዳያት ወጻኢ ኡክሬን ከምዝሓበሮ፡ ግዳያት እቲ ሓደጋ 82 ኢራናውያን፣ 63 ካናዳውያን፣ 11 ዩክሬናውያንን [ትሸዓት ኣባላት ዝርከብዎም]፣ 11 ስዊድናውያን፣ 4 ኣፍጋኒስታውያን፣ 3 ብርጣናውያንን 3 ጀርመናውያንን እዮም። ምውዳቕ ናይታ ነፋሪት ምስ ጎንጺ ኢራንን ኣመሪካን ዝተሓሓዝ ድዩ ዝብል ንጹር ኣይኮነን። ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት፡ እታ ነፋሪት ኣብ ዝወደቐትሉ ጥቓ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ተዋፊሮም ኣለዉ። ሓላፊ ቀይሕ ወርሒ ኢራን፡ ካብቲ ሓደጋ ዝድሕን ሰብ ክህሉ እዩ ዝብል ተስፋ ከምዘየለ ገሊጹ ነይሩ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51030381"} {"headline":"ኢራን ናይታ ዝወደቐት ነፋሪት መኽዝን ሓበሬታ ንኣሜሪካን ቦይንግን ኣሕሊፋ ከምዘይትህብ ኣፍሊጣ","content":"ኢራን መኽዝን ሓበሬታ (ብላክ ቦክስ) ናይታ ትማሊ ዝወደቐትን ምኽንያት ሞት 176 ሰባት ዝኾነትን ነፋሪት መገዲ ኣየር ዩክሬን፡ ንኣሜሪካ ኮነ ንኩባንያ ቦይንግ ኣሕሊፋ ከምዘይትህብ ኣፍሊጣ። ዋንነታ ናይ መገዲ ኣየር ዩክሬን ዝኾነት ቦይንግ 737-800 ነፋሪት ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ቴህራን ምስተበገሰት ድሕሪ ቁሩብ ደቓይቕ'ያ ወዲቓ። ሓላፊ ሲቪል ኣቪየሽን ኢራን ዓሊ ዓበድዛዲህ \"እቲ መኽዝን ሓበሬታ ንኣፍራይ ኩባንያ [ቦይንግ] ኮነ ንኣሜሪካውያን ኣይንህብን\" ምባሉ ወኪል ዜና ኢራን - መህር- ጸብጺባ። \"እቲ ሓደጋ ብትካል ኣቪየሽን ኢራን ክምርመር'ዩ፤ ዩክሬን ግን ክትሳተፍ ትኽእል'ያ\" ኢሉ። ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕግታት ኣቪየሽን፡ ኢራን ነቲ ዝካየድ ምጽራይ ክትመርሕ መሰል ኣለዋ። እንተኾነ ኣፍረይቲ ነፍረቲ'ውን ኢደን ይሓውሳ'የን፤ ክኢላታት ከምዝብልዎ ድማ ነቲ መኽዝን ሓበሬታ (ብላክ ቦክስ) ክትንትና ዝኽእላ ውሱናት ሃገራት እየን። እቲ ሓደጋ ኣብ ሞንጎ ኢራንን ኣሜሪካን ከቢድ ወጥሪ ኣብ ዝነገሰሉን ኢራን ኣብ ክልተ ወተሃደራዊ መዋፈርታት ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ኣብ ዝፈነወትሉን ዘጋጠመ'ዩ። እዚ ኩነታት ምስ ምስ መውዳቕ ነፋሪት ዩክሬን ዝተሓሓዝ ምዃኑ ዘረድእ መረዳእታ የለን። ቦርድ ሃገራዊ ድሕንነት መጓዓዝያ ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ብሃገሩ ዝስርሓ ቦይንግ ነፈርቲ ዝበጽሑ ሓደጋታት ኣብ ዝካየዱ ዓለማዊ ምርመራታት ኢዱ ይሓውስ እዩ። እዚ ክኸውን ግን ፍቓድ ክረክብን ምስ ሕጊ እታ ዝምልከታ ሃገር ክሳነይን ትጽቢት ይግበር።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51044196"} {"headline":"ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ነፋሪት መገዲ ኣየር ዩክረይን ብሚሳይል ምህራማ ከም ዘኣምን ተዛሪቡ","content":"ብረቡዕ ካብ ቴህራን ድሕሪ ምብጋሳ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ዝወደቐት ነፋሪት መጓዓዝያ ዩክረይን ብሚሳይል ኢራን ከም ዝተሃርመት መርትዖታት ከም ዘመላኽት መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ገሊጾም። መራሕቲ ካናዳን ብሪጣንያን ኣብ ጉዳይ ምውዳቕ ናይታ 176 ገያሾ ሒዛ ዝነበረት ነፋሪት ምሉእን ደቂቕን መርመራ ክካየድ ጸዊዖም። ኢራን ግን እታ ነፋሪት ብሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር ብዝተተኮሰ ሚሳይል ከም ዘይተሃረመት ትገልጽ። እቲ ኽስተት ድሕሪ ሒደታ ሰዓታት እቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ ክልተ መዓስከራት ኣሜሪካ ኣብ ኢራቕ ዘካየደቶ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ እዩ ኣጋጢሙ። ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ፡ እቲ ክስተት ዘጋጠመሉ ሰዓታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣሜሪካ ንግብረ መልሲ ትሸባሸብ ብምንባራ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኢራን ናይ ኣሜረካ ነፋሪት ውግእ መሲልዎም ሃሪሞምዋ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ጸብጺበን። ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ሰብ-መዚ ስለያ ኣሜሪካ ብምጥቃስ ኣብ ናይ ራዳር ምስሊ፡ ናይ ክልተ ሚሳይል ሓጺር ድምጺ ድሕሪ ምስትብሃሉ ከይደንጎየ ናይ ምፍንጃር ድምጺ ከምዝተሰምዐ ይጠቅስ። ድሕሪ እዚ ኒውስዊክ እውን፡ ናይ ፔንታጎንን ላዕለዎት ሰብ-መዚ ስለያ ኣሜሪካን ዒራቕን ብምጥቃስ፡ ኣብ በረራ ፒኤስ752 ዝነበረት ነፋሪት ዓለምለኻዊ መገዲ ኣየር ዩክረይን ኣብ ሩስያ ብዝተሰርሐ ሚሳይል ከምዝተሃርመት ኣብ ጽሑፉ ኣስፊሩ። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብወገኑ ብዛዕባ እቲ ነታ ነፋሪት ዘጋጠማ \"ጥርጠራታት\" ከም ዘለዎ ብሓሙስ ተዛሪቡ። ኣሜሪካ ንላዕለዋይ ኢራናዊ ጀነራል ቃስም ሶሌማኒ ብ 3 ጥሪ ኣብ ኢራቕ ድሕሪ ምቕታላ ወጥሪ ተፈጢሩ ኣብ ዘለወሉ እዋን ኢራን ነቲ ብዛዕባ እታ ነፋሪት ሓበሬታታት ዝኽዝን 'ብላክ ቦክስ' ናብቲ ነታ ነፋሪት ዘፍረየ ቦይንግ ኮነ ንኣሜረካ ከም ዘይትህብ ኣፍሊጣ። እንተኸነ ግና ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ ትካል ቦይንግ ኣብቲ ወግዓዊ መርመራ ክሳተፍ ዕድመ ኣቕሪብሉ ኣሎ። ብመሰረት ግሎባዊ ሕጊ በረራ፡ ኢራን ነቲ መርመራ ናይ ምምራሕ መሰል ኣለዋ፤ ኣፍረይቲ ግና ብፍሉይ ይሳተፉ እዮም። ቀዳማይ ሚኒስተር ጀስቲን ትሩዶ፡ እታ ነፋሪት ካብ መሬታ ናብ ኣየር ብዝተተኮሰ ሚሳይል ከም ዝተሃረመት ዘመላክት መረዳእታታት ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ከም ዝበጽሖን፡ ብጌጋ ዝተገብረ ክኸውን ከም ዝኽእልን ተዛሪቡ። \"እዚ ደቂቕ መርምራ ክካየድ ዝድርኽ እዩ\" ድሕሪ ምባል፡ ካናዳውያን መልሲ ዝጠልቡሉ ሕቶታት ከም ዘለዎም ሓቢሩ። እንተኾነ ግና ናብ ዝኾነ መደምደምታ ንምብጻሕ ጌና ከም ዝኾነ ገሊጹ። ኣብታ ነፋሪት ካብ ዝነበሩ 176 ገያሾ፡ እቶም 63 ካናዳውያን እዮም ነይሮም።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51058909"} {"headline":"ፕረዚደንት ኢራን፡ ብዛዕባ ምውዳቕ ነፋሪት ዩክሬን መብርሂ ክወሃቦ ንሰራዊቱ ሓቲቱ","content":"ፕረዚደንት ኢራን ሓሳን ሩሃኒ፡ እታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝተተኮሳ ሚሳይል ተሃሪማ ዝተሓምምሸት ነፋሪት ዩክሬን ዝምልከት ሰራዊት እታ ሃገር ዝያዳ መብርሂ ክህቦ ጠሊቡ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ጃቫድ ዛሪፍ ብወገኑ፡ ድሕሪ ምውዳቕ እታ ነፋሪት ኢራናውያን ንመዓልታት ግጉይ ሓበሬታ ከም ዝተዋህቡ ተዛሪቡ። ንሱ ከምዝሓበሮ፡ ንሱን ፕረዚደንት እታ ሃገርን ብዛዕባ እቲ ጉዳያ ኣፍልጦ ከምዘይነበሮም ገሊጹ። ሓይልታት እስላማዊ ሰውራ ኢራን፡ ነታ 176 ተሳፈርቲ ሒዛ እትጎዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ብጌጋ ብምህራሞም፡ እታ ነፋሪት ኣብ ሰማይ እንከላ ከም እተባረዐትን፡ እቶም ተሳፈርቲ ብምሉኦም ከምዝሞቱን ይፍለጥ። እታ ነፋሪት ዝወደቐትሉ እዋን፡ ኢራን ኣብ ዒራቕ ንዝነበረ መደበራት ኣመሪካ ብሚሳይላት ዘጥቀዓትሉ ሰዓታት እዩ ነይሩ። ፕረዚደንት ኢራን ሓሳን ሮሃኒ ኣብ ቴለቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ዝተወሃሃደን ዝተጻፈፈን መርመራ ክገብር ኣተሓሳሲቡ። ብተወሳኺ፡ ህዝቢ እንታይ ከምዘጋጠመ ሓላፍነት ወሲድና ብቕንዕና ክንገሮ ከምዘለዎ ተማሕጺኑ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ጃቫድ ዛሪፍ፡ \"ኣነን ፕረዚደንትን ብዛዕባ ምውዳቕ እታ ነፋሪት ንፈልጦ ኣይነበረናን። ምስ ፈለጥና ድማ ብቕልጡፍ ንህዝቢ ሓቢርና\" ክብል ተዛሪቡ። ብምውዳቕ እዛ ነፋሪት፡ ኣብታ ሃገር ሓያል ተቓውሞ ኣለዓዒሉ ኣሎ። ምስ ምውዳቕ እታ ነፋሪት ብዝተኣሳሰር ድማ ሓያሎ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተው ኢራን ገሊጻ ኣላ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51124268"} {"headline":"ንጽቡቕ ፋል፡ ሳናቲም ናብ ሞተር ነፋሪት ዝደርበየ ናይ ፈለማ እዋን ተሳፋራይ","content":"ሓደ ወዲ 28 ዓመት ቻይናዊ፡ ንፈለማ እዋን ብነፋሪት ንምብራር ክሳፈር እንከሎ፡ ሰናይ ጉዕዞ ክኾነሉ ብምምናይ ናብ ሞተር እታ ነፋሪት ሳናቲም ደርብዩ። በዚ ምኽንያት ድማ 17,200 ዶላር ነቲ መገዲ ኣየር ክኸፍል ተበይንዎ። እቲ ሳናቲም ኣብ ጥቓ ኢንጅን (ሞተር) ናይታ ነፋሪት ምስተረኸበ፡ እታ ነፋሪት ሽዑ ንሽዑ ደው ክትብል ተገይሩ። እቲ ሉ ቻኦ ዝበሃል ተሳፋሪ፡ ነቲ ተግባር ከምዝፈጸሞ ኣሚኑ። እቲ ፍጻመ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ዘጋጠመ ኮይኑ ናብ ቤት ፍርዲ ድማ ኣብ ወርሒ ሓምለ እዩ ቐሪቡ። እንተኾነ፡ እቲ ዝሓለፈ ውሳነ ኣብ ቀረባ እዋን እዩ ንህዝቢ ተገሊጹ። እቲ ኩነታት ምስኣጋጠመ፡ መተካእታ በረራ ክሳብ ዝዳሎን ናይ ውሕስነት ፈተሻታት ክሳብ ዝካየድን ተሳፈርቲ ጉዕዘኦም ክቕጽሉ ኣይከኣሉን። ሉ ቻኦ ኣብ ፈለማ ን 10 መዓልታት አብ ቀይዲ ኣትዩ እንተነበረ'ኳ፡ ጸኒሑ ግን ካሕሳ ገንዘብ ክኸፍል ተገይሩ። እቲ 'ለኪ ኤይር' ዝበሃል መገዲ ኣየር፡ ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ኩነታት ልዕሊ 17,600 ዶላር ከምዝኸሰረ ኣብ ቤት ፍርዲ ገሊጹ። ሉ ቻኦ፡ እቲ መገዲ ኣየር ንተሳፈርቱ 'ሳናቲም ናብ ነፈርቲ ከይትድርብዩ' ዝብል መጠንቀቕታ ክህብ ነይርዎ ክብል ተኻቲዑ። ተሳፈርቲ፡ ከም መግለጺ ጽቡቕ ፋልን ትምኒት ሰናይ ጉዕዞን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ክፍጽሙ ንፈለማ እዋን ኣይኮነን።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50980229"} {"headline":"ሓንቲ ተጓዓዚት፡ ኣብ ጋቢና ነፋሪት፡ ስእሊ ክትሰኣል ዘፍቀደ ኣብራሪ ካብ ስርሑ ተኣጊዱ","content":"ሓንቲ ተሳፋሪት ኣብ ጋቢና ነፋሪት ኮይና ዝተሳእለቶ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስዘርጋሐት፡ እቲ ንኽትሰኣል ዘፍቀደላ ቻይናዊ ፓይለት ነፋሪት ከየብርር ተኣጊዱ። እቲ ስእሊ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝተወስደ ኮይኑ፡ እታ ነፋሪት፡ ካብ ከተማ ጋውሊን ናብ ያንገዛው ትጓዓዝ ከም ዝነበረት ማዕከናት ዜና ቻይና ገሊጸን። እታ ተሳፋሪት፡ ኣብ ጋቢና ነፋሪት ኮፍ ኢላ፡ ኣብ ቅድሚኣ ድማ መግብን መስተን ተቐሪቡ ይረኣ። መንገዲ ኣየር ጋውሊን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ፓይለት ውሕስነት ተሳፈርቲ ኣብ ሓደጋ ከም ዘእተወ ሓቢሩ። እቲ ስእሊ፡ 'ወቦ' ኣብ ዝታባህለ ማሕበራዊ ሚድያ ብብዝሒ ምስ ተዘረገሓ እዩ ኣቓልቦ እቲ መንገዲ ኣየር ክረክብ ክኢሉ። እታ ገያሺት፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጋውሊን ከም ናይ ነፋሪት ኣሳሳይት (ሆስተስ) ስልጠና ከምእትወስድ ይዝረብ። ስእላ፡ ኣብ ግዜ በረራ'ዶ ተወሲዱ ይኸውን ንዝብል ሕቶ እቲ መንገዲ ኣየር ኣየነጸረን። እንተኾነ ግን፡ ቻይናውያን ፓይሎታትን ተንተንትን፡ እቲ ስእሊ ኣብ ግዜ በረራ ከም ዝተወስደ ይሕብሩ። ስሙ ዘይተጠቕሰ ፓይለት፡ ንምሉእ ህይወቱ'ዩ ነፋሪት ከይበርር ተኣጊዱ ዘሎ። ካልኦት ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪት'ውን ክሳብ እቲ መርመራ ዝውዳእ፡ ንዘይተወሰ ግዜ ካብ ስራሕ ጠጠው ኢሎም ኣለው። ብመሰረት ምምሕዳር ስቪል ኣቪየሽን ቻይና፡ ተሳፋራይ ፍሉይ ፍቓድ ረኺቡ እንተዘይኮይኑ፡ ዝኾነ ሰብ ኣብ ጋቢና ናይ ነፋሪት ክኣቱ ኣይፍቀደሉን። ዝሓለፈ ዓመት፡ 'ዶንጋይ' ኣብ ዝተባህለት መንገዲ ኣየር፡ ሓደ ኣሰልጣኒ በረራ፡ ንሰበይቱ ኣብ ጋቢና ነፋሪት ክትኣቱ ብምፍቃዱ፡ ንሽዱሽተ ወርሒ ካብ ስራሕ ጠጠው ኢሉ ነይሩ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50312960"} {"headline":"ዋና ፈጻሚ ስራሕ ቦይንግ ካብ ሓላፍነቱ ተሰጒጉ","content":"ዋና ስራሕ ፈጻሚ ቦይንግ ዴኒስ ሙይለንበርግ፤ ካብ ሓላፍነቱ ተሰጓጉ እቲ ስጉምቲ ድማ እቲ ኩባንያ ዝሐሸ ዓርሰ-እምነት ንክፈጥር ክሕግዞ እዩ ተባሂሉ። ግዚያዊ ኣቦ -መንበር እቲ ኩባንያ ኮይኑ ዝጸንሐ ዴቪድ ካልሁን፡ ብኣቆጻጽራ ፈረንጂ ካብ 13 ጥሪ ጀሚሩ ነቲ ሓላፍነት ከምዝርከቦ ተገሊጹ'ሎ። ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ትውነን ነፋሪት ትርከበን ክልተ ቦይንግ 737 ማክስ ነፈርቲ ኣብዚ ዓመት ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ምስኣጋጠመን፡ እቲ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ካብ ሓላፍነቱ ክለዓል ሕቶታት ክቐርብሉ ጸኒሖም'ዮም። ብድሕሪ'ቶም ሓደጋታት ፤ እተን 737 ማክስ ዝዓይነተን ነፈርቲ ከይንቀሳቐሳ ተኣጊደን ይርከባ። ብትእዛዝ ዝተፈላለዩ መንገዲ ኣየራት ዓለም፤ ኣብ ህንጸት ዝነበራ ዓይነታት ቦይንግ ማክስ ድማ፤ ስራሕተን ክቋረጻ ከምዝገበረ እቲ ኩባንያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጡ ነይሩ። እቲ ሎሚ መዓልቲ ዝወጽአ መግለጺ ቦይንግ፤ እቲ ኩባንያ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝገብሮም ርክባት ከም ብሓድሽ ንምጅማር ናይ መሪሕነት ለውጢ ምግባር ከምዘድሊ ኣባላት ቦርድ እቲ ኩባንያ ከምዝወሰኑ የመልክት። ኣብ ሶፍትዌር እተን ነፈርቲ ጸገም ከምዝነበሮ ብትካላት መርመራ ኣመሪካ ዝተረጋገጸ እንትኸውን፤ እቲ ኩባንያ ኣብ መወዳእታ ዓመት ኤውሮጳውያን ነቲ ጸገም ብምምሕያሽ ተመሊሱ ናብ ስርሑ ክኣቱ እዩ ዝጽበ ነይሩ። ሰብ-ሞያ እቲ ዓውዲ፤ እቲ ሓደጋ ቅድሚ ምብጽሑ ይግመት ከምዝነበረ እዮም ገሊጾም። --- ኣብታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት መንገድ ኣየር ኢትዮጵያ ጓሉ ዝሰኣነ፡ ሚካኤል ስቱሞ፤ እዚ ናይ መጀመርታ ዝበሎ ስጉምቲ እቲ ኩባንያ ኣድኒቑ። ቐጺሉ፤ ካልኦት ብቕዓት ዝጎደሎም ዝበሎም ኣባላት እቲ ቦርድ ሓላፍነቶም ክለቁ ኣለዎም ኢሉ። እቲ ምጽራይ ዝከታተል ጉጅለ ዝመርሕ ኣባል ኮንግረስ፡ እቲ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ዛጊድ ኣብ ሓላፍነቱ ምጽንሑ ነቲ ኩባንያ ወቒሱ ንኒውዮርክ ታይምስ ተዛሪቡ። \"ኣነ እንተዝኾን፤ ነቲ ሓላፊ ቀደም ኣባሪረዮ ምሃለኹ\" ኢሉ።","category":"ጉዕዞ ነፋሪት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50895689"} {"headline":"ዝተሰናኸለ ጻዕርታት ዘተ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ","content":"ኲናት ትግራይ ብሰላማዊ መገዲ ከብቅዕ ዝተፈላለዩ ጻዕርታት እኳ ክግበር እንተጸንሐ፡ ክልተ ዓመት ክመልኦ ቀሪቡ ኣሎ። መንግስቲ ፌደራል፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት 'ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦ' ድሕሪ ምእዋጁ፡ ሓይልታት ትግራይ'ውን በዚ ተሰማሚዖም ተኹሲ ጠጠው ምስ ኣበሉ፡ ንሰላማዊ ዝርርብ ዝኸውን መገዲ ክኽፈት'ዩ ዝብል ትጽቢት ብዙሓት እዩ ነይሩ። ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታን እቲ ልዝብ ንክጅመርን እቲ ኲናት ንከብቅዕን ጻዕሪ ክገብሩ ጸኒሖም። ብፍላይ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣሜሪካን፡ ምስ ሰብ መዚ ፌደራልን ትግራይን ኣብ ኣዲስ ኣበባን መቐለ ክዘራረቡ እኳ እንተጸንሑ፡ ፍረ ኣየፍረዩን። ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዘጋጥሙ ጐንጺታት ደው ንምባል ኣብ ዝግበሩ ጻዕርታት በዓል ሞያ ሕጊ ኰይኑ ዝሰርሐ ባይሳ ዋቅወያ፡ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ንከየብቅዕ ዝገብሩ ዝተሓላለኹ ኩነታት ከም ዘለው ይዛረብ። ይኹን'ምበር፡ ዝዀነ ዓይነት ኲናት ብፍላይ ድማ ኲናት ሓድሕድ ኣብ ሞንጐ ተራጸምቲ ወገናት ብዝግበር ዘተ ከም ዘብቅዕ ብምግላጽ፡ \"በዳህቲ ነገራት እንተሃለው'ውን እቲ መፍትሒ ድርድር'ዩ\" ይብል። ክልቲኦም ወገናት፡ እቲ ኲናት ብልዝብ ንከብቅዕ ድልየት ከም ዘለዎም ብተደጋጋሚ እኳ እንተገለጹ፡ ነቲ ልዝብ መን ይምርሓዮ ኣብ ዝብል ግን ፍልልይ ኔሩዎም። መንግስቲ ፌደራል፡ ንሕብረት ኣፍሪቃ እንኮ ምርጫኡ ክገብር እንከሎ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ እቲ ዘተ ብመንጎኛነት ኡሁሩ ኬንያታ ክግበር እዮም ዝመርጹ ኔሮም። እዚ፡ ነቲ መስርሕ ልዝብ ክደናጐ ክገብሮ እንከሎ፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም 2015 ዓ.ም መራሕቲ ትግራይ ነቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝመርሖ ድርድር ከም ዝቕበሉ ኣፍሊጦም። ቅድም ኢሉ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘይተገለጹ ዝርርባት ይካየዱ ምንባሮም እኳ እንተገለጹ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕብኡ ዝበሎ ነገር የለን። ወኪል ሕብረት ኣውሮጳ ኣኔት ቬበር፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም፡ ንኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ኣብ ዝልኣዀ ደብዳበ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣሜሪካ ኣብ ዘመቻችአቶም መድረኻት ኣብ ጅቡትን ሲሸልስን ከም ዝተራኸቡ ገሊጹ። እንተዀነ፡ እዚ'ውን እቲ ኲናት ንከብቅዕ ዝሕግዝ ለውጢ ኣየምጽአን። ኲናት፡ ብድርድር እዩ ዝፍታሕ ዝብል ኣቶ ባይሳ፡ ክልቲኦም ወገናት ድርድር ንምጅማር ድልየት ምርኣዮም፡ ካብ ጸቕጢ ዝመጽአ እንተዀነ'ውን ኣሚኖም ዝኣተውሉ'ዩ ዝብል እወንታዊ ኣረኣእያ ከም ዘለዎ ይዛረብ። እንተዀነ፡ ትኹረት ምዕራባውያን ኣብ ኲናት ዩክረይን ብምህላው፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዓለም ዘጋጠመ ቁጠባዊ ጸቕጢ ንነገራት ከም ዝለወጦም ይጠቅስ። እዚ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ምዕባለታት ተደሚሩዎ እቶም ተራጸምቲ ሓይልታት ገጾም ናብ ልዝብ ከዙሩ ገይሩ'ዩ ይብል። \"ኣብ መጀመርታ እቲ ኲናት ዝነበረ ናብ ሓደ ሸነኽ ዝዛዘወ ድጋፍ ምዕራባውያን ስለ ዝማህመነ፣ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዕጽዋ፣ ኣብታ ሃገር እናብኣሰ ዝመጽአ ቁጠባዊ ቅልውላውን ምኽባር ናብራን፡ ክልቲኦም ናብ ድርድር ክመጽኡ ገይሩ'ዩ\"። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ቁጽሮም ብወግዒ ዘይተፈልጠ ዓሰርታት ኣሽሓት ሰባት ሞይቶም'ዮም። ንዕኡ ስዒቡ ዝተፈጥረ ሰብኣዊ ቅልውላው ድማ፡ ካብ ትግራይ ብዝሰገረ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ኣማኢት ኣሽሓት ተጸበይቲ ረድኤት ኰይኖም። \"እዚ ደማዊ ኲናት፡ ዋላ ሓደ ዝዕወተሉ ስለ ዘይኰነ፡ ክልቲኦም ወገናት እቲ ጸገም ብዘተ ክፈትሑዎ'ዮም\" ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎ ኣቶ ባይሳ ገሊጹ። እቲ ሕብረት፡ ንክልቲኦም ወገናት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምርኻብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጻውዒት ከቕርብ እንከሎ፡ ንብዙሓት ሃንደበታዊ ነይሩ። እቲ ሕብረት ዝዘርግሖ ደብዳበ፡ እቲ ዘተ ኣብ ቀጻሊ ኣገደስቲ ዝዀኑ ጉዳያት ትኹረት ከም ዝግበረሉ የመልክት። እዚ ድማ፡ ብፍሉይ ልኡኽ ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ ከም ዝምራሕን፡ ኡሁሩ ኬንያታን ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበርን ከም ዝሳተፉን ይሕብር። መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን፡ ቅድሚ ሕጂ'ውን ምስዚ ዝቃዶ መርገጺ ከም ዝነበሮም ብምግላጽ ነቲ ጻውዒት ከም ዝተቐበሉዎ ኣፍሊጦም። ብፍላይ፡ ሓይልታት ትግራይ እቲ ጻውዒት ቅድሚ ምቕራቡ ምስቲ ሕብረት ዝርርብ ከም ዘይተገብረ ብምግላጽ፡ ተሳተፍቲ እቲ ዘተ፣ ተዓዘብትን ዋሕስ ዝህቡን፣ ጉዳያት ድሕነትን ጉዕዞን ዝምልከት መብርሂ ክወሃቦም ሓቲቶም። ክልቲኦም ወገናት፡ ንሰላማዊ ዝርርብ ፍቓደኛታት ምዃኖም ዝነኣደ ኣቦ መንበር ኮሚሽን እቲ ሕብረት ሙሳ ፋቂ መሃማት፡ ንሰላም ዕድል ክህቡ ጸዊዑ። ወሲኹ፡ እቲ ዘተ ብፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ፣ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡህሩ ኬንያታን ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ዶክተር ፑምዚል ምላምበፐ-ናግኩካን ክምራሕ እዩ ኢሉ። እቲ ዘተ ንክጅመር ሓደ መዓልቲ ምስተረፎ ግን፡ ብዓርቢ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ማዕከን ዜና ሮይተርስ፡ ንዲፕሎማስያዊ ምንጪታት ጠቒሱ፡ እቲ ልዝብ ብሎጅስቲካዊ ምኽንያታት ናብ ዘይተነጸረ ጊዜ ከም ዝተመሓላለፈ ሓቢሩ። ነዚ ስዒቡ፡ ካብቶም ኣሸማገልቲ ሓደ ዝዀነ ኡሁሩ ኬንያታ፡ እቲ ዘተ ክጅምር ዝተወጠነሉ መዓልቲ ምስቲ ኣቐዲሙ ዝነበሮ ካልእ መደብ ስለ ዝተደረበ ከም ዘይሳተፍ ዝገልጽ ደብዳበ ናብቲ ኣቦ መንበር ጽሒፉ። እዚ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ካልእ ግዜ ኣብቲ ዘተ ንክሳተፍ፡ ኣወዳድባን ኣፈጻጽማን እቲ ድርድር፣ መምርሒ እቶም ዕድመ ዝተገብረሎም ኣሸማገልቲ ዝምልከት ዝርዝር መብርሂ ክወሃቦ ሓቲቱ። ብተወሳኺ፡ ብዘይ ቅድመ ኩነት ህጹጽ ምቁራጽ ተጻብኦ ምግባር፡ ቅድሚ ኣጀንዳታት እቲ ዝርርብ ቀዳምነት ክወሃቦ ከም ዝግባእ ብምግላጽ፡ እዚ ነቲ ዝርርብ ትኽክለኛ ኩነታት ዝፈጥር'ዩ ኢሉ። ዲፕሎማት ባይሳ፡ ኣብ ቀጻሊ ንድርድር ዘድሊ ምቁራጽ ተጻብኦ ክሰማምዑን እቲ ኲናት ጠጠው ንምባል ዝሕግዝ ፍኖተ ካርታ ምድላውን ምስምማዕን ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ እዩ ኢሉ ይኣምን። እንተዀነ፡ ኲናት ደው ንክብል ዝግበር ድርድር ቀሊል ኣይኰነን ዝብል ባይሳ፡ \"ከምዚ ዓይነት ዝተሓላለኸ ፖለቲካዊ ኩነታት ዘለዎ ጐንጺ ሪኤ ኣይፈልጥን\" ይብል። ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እቶም ኣብ ናይ መወዳእታ ሰዓት ኣጋጢሞም ዝተባህሉ ሎጅስቲካዊ ጸገማት ኰነ ኡሁሩ ኬንያታ ዘቕረቦም ሕቶታት ዝሃቦ መብርሂ የለን። ብተወሳኺ፡ ኣብ ቀጻሊ እቲ ዝርርብ መዓዝ ክካየድ ከም ዝኽእል ኣየነጸረን።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c727d303kj0o"} {"headline":"ኣብ ገማግም ግሪኽ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ ስደተኛታት","content":"ትማሊ ረቡዕ ምሸት ኣብ ግሪኽ ኣብ እትርከብ ደሴት ሌስቦስ ናይ ስደተኛታት ጃልባ ድሕሪ ምጥሓላ ብውሕዱ 16 ሰባት ሞይቶም፡ ካልኦት 15 ሰባት ድማ ደሃዮም ጠፊኡ’ሎ። እታ ጃልባ ካብ ገማግም ባሕሪ ቱርኪ 40 ሰባት ሒዛ ኣብ ውሸዕጢ ኣዝዩ ብርቱዕ ንፋስ ትጓዓዝ ከምዝነበረት ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ሓቢሩ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ደሴት ኪቲራ ሓንቲ ጃልባ ምስ ኣኻውሕ ድሕሪ ምግጫዋ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ንሓደጋ ተቓሊዖም ከምዝደሓኑ ተፈሊጡ። ናይ ሓለዋ ባሕሪ ቪድዮ፡ ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ገደል ኣትዮም ዝነበሩ ጉጅለ ሰባት ናብ ውሑስ ቦታ ክስሕብዎም የርኢ። ክልቲአን ጀላቡ ረቡዕ ምሸትን ሓሙስ ንግሆን ኣማኢት ኪሎሜተራት ተፈላልየን ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ጥሒለን። ወለንተኛታት፡ ምስ ሰበስልጣን ምድሓን ህይወት ኣብቲ ኣብ ኪቲራ ዝተገበረ ጻዕሪ ተጸንቢሮም እዮም። እታ ስደተኛታት ዝጻዓነት ጃልባ፡ ኣብ ሰዓት ክሳብ 70 ኪ.ሜ ብዝነጉድ ንፋስ ከምዝተበታተነትን፡ ብመሰረት ጸብጻባት ግሪኽ ድማ ሓደ ካብቶም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ሰባት መጠንቀቕታ ከምዝሃበን ተገሊጹ። ነባሪት እቲ ከባቢ ዝኾነት ማርታ ስታታኪ ንማዕከን ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ \"እታ ጃልባ ኣብቲ ኣኻውሕ ክትጋጨን ሰባት ናብቶም ኣኻውሕ ደይቦም ንነብሶም ከድሕኑን ክፍትኑን ርኢና\" ኢላ። ካብቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ 95 ሰባት እቶም 80 ከምዝደሓኑን ካብ ኢራን፡ ኣፍጋኒስታንን ዒራቕን ዝመጹ ምዃኖምን ጸብጻባት ይሕብሩ። ብኻልእ ወገን ኣብታ ኣብ ሌስቦስ ኣብ ጥቓ ተርሚ ዝጠሓለት ጀልባ ሬሳ 16 ኣፍሪቃውያን ደቂ ኣንስትዮ ከምዝተረኸበ ሰብመዚ ገሊጾም። ትሽዓተ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ድሒነን ናብቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሆስፒታል ሚቲሊኒ ተወሲደን ኣለዋ። \"ሎሚ ህይወት ብዙሓት ጠፊኡ፡ ሰባት ብሰንኪ ዘይረብሓ ጀላቡ ይጥሕሉ ኣለዉ። ሕብረት ኣውሮጳ ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ።\" ሰበስልጣን እቲ ከባቢ እታ ጃልባ ካብ ወደብ ኣይቫሊ ቱርኪ ከምዝተበገሰት ይገልጹ። ሚኒስተር ስደት ግሪኽ ኖቲስ ሚታራቺ፡ ቱርኪ ኣብዚ እዋን ጽንኩር ኩነታት ኣየር፡ ዘይስሩዕ ምስጋር ስደተኛታት ደው ንክብል \"ቅልጡፍ ስጉምቲ\" ክትወስድ ጸዊዑ። ሌስቦስ ካብ ገማግም ባሕሪ ምዕራብ ቱርኪ ኣብ ሓጺር ርሕቀት ክትረክብ እንከላ፡ ኪቲራ ግን ኣስታት 400 ኪ.ሜ ርሒቓ ትርከብ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብቐንዱ ካብ ኣፍጋኒስታን ዝመጹ ዳርጋ 100 ሰባት ዝጸዓና ክልተ ጀላቡ ስደተኛታት ኣብ ኪቲራ ዓሪፈን ነይረን። ብዙሓት ሰባት፡ ካብ ቱርኪ ብግሪኽ ኣቢሎም ናብ ገማግም ባሕሪ ጣልያን ከምዝሰግሩ ይዝረብ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4n8z4zlnrpo"} {"headline":"ነበርቲ ሓንቲ ቁሸት 143 ሚልዮን ዩሮ ለቶሪ ተዓዊቶም","content":"ኣብ ቤልጅየም ኣብ ሓንቲ ቁሸት ዝነብሩ 165 ሰባት 143 ሚልዮን ዩሮ ሎተሪ ተዓዊቶም። እቶም  ኣብ ዓዲ ኦልምን ዝቕመጡ ሰባት፡ ነቲ ሎተሪ ማዕረ መጠን ገንዘብ ኣበርኪቶም እዮም ገዚኦም። ነፍሲወከፎም፡ ድማ  868 ሽሕ ዩሮ ካብቲ ሎተሪ ክካፈሉ እዮም። ብመሰረት ጸብጻብ ሃገራዊ ሎተሪ ቤልጅየም፡ ኣብቲ ሎተሪ ልዕሊ 27 ሚልዮን ዕጫታት ተሳቲፎም። ዩሮሚሊዮንስ፡ ኣብ መንጎ ትሽዓተ ሃገራት ኤውሮጳ ዝካየድ ዕጫ ሎተሪ ኮይኑ፡ ንተዓወቲ ሸውዓተ ቅኑዕ ቁጽሪ ብምግማት ዝለዓለ ክፍሊት ክህብ ዝኽእል እዩ። ንተዓወቲ ክሳብ 142 ሚልዮንን 897 ሽሕን 164 ዩሮ ክሽልም ይኽእል። ወሃቢት ቃል ሃገራዊ ሎተሪ ጆክ ቨርሞር፡ ኣብ ቤልጅየም ብጉጅለ ተዓወትቲ ምዃን ዝተለምደ ኣይኮነን ኢላ። ቅድሚ ሕጂ ክንድዚ ዝኣክል ሰብ ብሓባር ተወዳዲሩ ተዓዊቱ ኣይፈልጥን። ወሃቢት ቃል እታ ሃገር፡ እቶም 165 ነበርቲ እታ ቁሸት፡ ሎተሪ ከምዝተዓወቱ ምስ ሰምዑ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ከምዝተሓጎሱ ገሊጻ። ሓላፊ እቲ ኣብ ቤልጅየም ዕጫ ዘውጽእ ትካል፡ ሰባት ብጉጅለ ዕጫ ክወስዱ ካብ ዘተባብዕ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። ነበርታ እታ ቁሸት፡ ብሓባር ተዓዊትና ኢሎም ክኣምኑ ስለ ዝኸበዶም ሽዱሽተ ግዜ ዜና ሰሚዖም። መንነት እቶም ተዓወትቲ ክሳብ ሕጂ ኣይተገለጸን። ኣቐዲሙሓደ ዜጋ ዓባይ ብሪጣንያ 195 ሚልዮን ፓውንድ ተዓዊቱ ነይሩ። እዚ ድማ ሓደ ሰብ ክረኸቦ ካብ ዝኽእል እቲ ዝበዝሐ ገንዘብ እዩ። ቅድሚ ኣዋርሕ ድማ ካልኦት እንግሊዛውን መጻምድቲ፡ 184 ሚልዮን ፓውንድ ተዓዊቶም ነይሮም። ዩሮሚልዮን ኣብ ቤልጅየም፣ ፈረንሳ፣ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ስጳኛ፣ ፖርቱጋል፣ ኣየርላንድ፣ ኦስትርያ፣ ስዊዘርላንድን ሉክሰምበርግን'ዩ ይካየድ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c51e51dqeedo"} {"headline":"ናይ ገዛእ ርእሳ ንጉስ ዝኣወጀት 'ናጻ' ግዝኣት","content":"ኣብ መዓሙቕ ገጠራት ምብራቓዊ ጀርመን፡ ሓደ ዘይርአ ዶብ ኣሎ። ህንጻታት ናይ ሓደ እጹብ ግምቢ ካብቲ ጫፍ ኣግራብ ንላዕሊ ወጺኦም ይረኣዩ። ኣብ ቅድሚት ማዕጾ ናይቲ ግምቢ ምልክት ኣሎ፤ እዚ ንዝመጸ ሰብ - ብሓቂ - ናብ ሓዳስ ሃገር ይኣቱ ከምዘሎ ብኽብሪ ዝሕብር’ዩ። \"ኮኒግሬክ ዶችላንድ\" (ንግስነት ጀርመን) ንገዛእ ርእሳ ንግስነት ዝኣወጀት ነጻ ሃገር እያ፤ ንገዛእ ርእሱ ዝሸመ ንጉስ እውን ኣለዋ። እቲ ንጉስ፡ ፒተር ቀዳማይ ብዝብል ክጽዋዕ ይመርጽ። ፒተር ቀዳማይ፡ ኣብ ሓደ ብዕንጸይቲ ዝተሸፈነ ቅሩብ ጽልምት ዝበለ ኣዳራሽ ተቐቢሉና። እቲ ንጉስ ዘውዲ ካብ ዝደፍእን እታ ናይ ገዛእ ርእሳ ገንዘብ እትሓትም፡ ናይ ገዛእ ርእሳ መንነት ወረቐት እተዳሉን ናይ ገዛእ ርእሳ ባንዴራ ዘለዋ እትበሃል ግዝኣት ካብ ትምስረት ዓሰርተ ዓመት ገይሩ’ሎ። ፒተር ቀዳማይ፡ እቲ ኣብ ጀርመን \"ራይክስበርገር\" (ዜጋ ራይክ) ተባሂሉ ዝፍለጥ እዩ። ንሱ፡ ሓደ ካብቶም ብማዕከናት ስለያ እታ ሃገር ንሕጋውነት ናይቲ ድሕሪ ኲናት ዝነበረት መንግስቲ ጀርመን ኣፍልጦ ዘይህቡ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባውያን ተባሂሎም ዝግለጹ ኣስታት 21 ሽሕ ሰባት እዩ። እዞም ሰባት ኣብዚ ሰሙን ተፈላጥነት ረኺቦም ኣለዉ። እዚ ድማ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ራይክስበርገር ብዝተኻየዱ ወፍሪታት ንህንጻ ባይቶ ጀርመን ራይክስታግ ንምውራርን ብዓመጽ መንግስቲ ንምዕላውን ውዲት ፈጢሮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 25 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ስዒቡ ዝመጸ እዩ። ንጉስ ፒተር ከምዚ ዓይነት ዕላማ ዓመጽ ከምዘይብሉ ይዛረብ። ይዅን እምበር፡ መንግስቲ ጀርመን \"ኣዕናዊን ሕሙምን\" ምዃኑ ይኣምን። \"ኣነ ኣካል ናይዚ ፋሽሽታውን ሰይጣናዊን ስርዓት ክኸውን ድሌት የብለይን\" ይብል። ንኽንዘራረብ ናብ ካልእ ክፍሊ ኣምሪሕና - እቲ ክፍሊ ግን ሳሎን ኣይኮነን። ብመብራህትን ካሜራን ተኸቢብና ኢና። እዚ ናይ ንጉስ ፒተር ናይ ገዛእ ርእሱ ቲቪ ስቱድዮ እዩ፤ ቻነል ቲቪ ክጅምር ተስፋ ኣለዎ። ሓደ ካብቶም ኣገልገልቱ ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ህሞት ርክብና (ዘተና) ክቐርጽ ከምዝዀነ ተረዲአ። ንሱ፡ ከም ከንቲባን ኣባል ባይቶ ጀርመንን ክኸውን ተወዳዲሩ ብዘይምዕዋቱ፡ ነቲ መንግስቱ ካብ ምምስራት ሓሊፉ ካልእ ኣማራጺ ዘይብሉ ኰይኑ ከም ዝተሰምዖ ይገልጽ። \"ብልሹዋት፡ ገበነኛታት ወይ ካልኦት ክጥቀምሎም ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰባት ኣብ ስርዓት ጀርመን ይስስኑ፤ እቶም ቅኑዕ ልቢ ዘለዎምን ንዓለም ንሓባራዊ ረብሓ ብዝሓሸ ክቕይርዋ ዝደልዩ ግን ዕድል የብሎምን።\" ናይ ብሓቂ ስሙ ፒተር ፊትዘክ ኰይኑ፡ ንጥፈታቱ ድማ ምስ ሕጊ ጀርመን ብተደጋጋሚ ናብ ጎነጽ ክኣቱ ገይርዎ ኣሎ። ጀርመን ነታ ግዝኣተ-ንጉስ ይዅን ነቲ ሰነዳታ ኣፍልጦ ኣይትህብን፤ ፒተር ፊትዘክ ብዘይ መምርሒ ፍቓድ መኪና ብምዝዋርን ናይ ገዛእ ርእሱ መደብ መድሕን ጥዕና ብምምራሕን ሓያሎ ግዜ ተፈሪዱ እዩ። ብተወሳኺ፡ ገንዘብ ዜጋታቱ ብምጥፍፋእ ንሓያሎ ዓመታት ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝኣተወ ክኸውን እንከሎ፡ ድሒሩ ግን እቲ ፍርዲ ተሰሪዙ። ንኣስታት ክልተ ዓመት ንዕኡን ንግዝኣት-ንግስናኡን ክከታተል ዝጸንሐ ኣገልግሎት ስለያ እቲ ዞባ፡ ከም ስግኣት ከም ዝቘጽርዎ ሓቢሩና። ምስ ሓደ ንሰባት ንውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባትን ኣኽረርቲ ስነ-ሓሳብን ዘቃልዕ ኣምልኾ የመሳስልዎ። ከምዚኦም ዝበሉ ክልሰ-ሓሳባትን ስነ-ሓሳባትን ኣብ ጀርመን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና እናተጋደዱ መጺኦም እዮም። ኮቪድ-19’ውን ደገፍን ኣባልነትን ናይቲ ግዝኣት-ንግስነት ክውስኽ ዝገበረ ይመስል። ፒተር ፊትዘክ፡ ኣስታት 5 ሽሕ ዜጋታት ከምዘለዎ ነጊሩና። ንሱ፡ ምእንቲ እቶም ሰባት ኣብ መወዳእታ ክነብሩሉ ዝኽእሉ ብርክት ዝበሉ ማሕበረሰባት ንምቛም ኣብ ጀርመን መሬት እናገዝአ ነቲ ንግስነቱ የስፍሖ ኣሎ። ካብ ግምቢ እቲ ንጉስ ኣስታት 240 ኪሎ ሜተር ርሒቝ ዝርከብ ሓደ ማሕበረሰባት ዝነብርሉ ቦታ በጺሕና። ካብ በርሊን ንደቡብ ብመኪና ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ኣብ ዝወስድ ቦታ እትርከብ ቁሸት ባርዋልደ፡ ካልእ ብጥንታውያን ኣግራብ ዝተኸበበ ኣረጊት ግምቢ ይርከብ። ኣስታት 30 ሰባት ኣብቲ ቀንዲ ህንጻ ወይ ድማ ኣብቲ ቀንዲ መእተዊ መንገዲ ኣብ ዝርከቡ ቃፍላይ ይነብሩ። እቲ ግምቢ ዋላ'ኳ ዝሃሰሰ ጽባቐ እንተሃለዎ፡ ጽልምት ዝበለ ቦታ እዩ። ገና ነቶም ህንጻታት ኣብ ምሕዳስን ቀጽሪ ኣብ ምጽራይን ይርከቡ። እቶም ኣብዚ ዝነብሩ ሰባት ግን በቲ ከም ግዝኣት መንግስቲ ዝቘጽርዎ ገዛኦም ይሕበኑ እዮም። እቶም ዜጋታት ንጀርመን ግብሪ ኣይከፍሉን፡ ከምኡ’ውን ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ኣይሰዱን። እዚ ድማ ኣብ ጀርመን ዘይሕጋዊ እዩ። ብንጉስ ፒተር ዝምራሕ ናይ ገዛእ ርእሶም ሕጋዊ ኣቃውማ ኣለዎም። ኣብ ግዜ ድማ ናይ ገዛእ ርእሶም ስርዓተ ክንክን ጥዕና ክህልዎም ይሓስቡ። \"እታ ግዝኣት-ንግስነት ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዘድልየካ ኵሉ ክተቕርበልካ ትኽእል እያ። መግቢ፡ ማሕበራዊ ድሕነት፡ እዚ ዅሉ ስርዓታት ኣሎ\" ይብል ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ስድራኡ ዝገዓዘን ሓላፍነት ርክብ ህዝቢ ዝተወሃቦ ቤንጃሚን። ዘመናዊ ቴክኖሎጂታት ብምጥቃም ዘላቒ ሓምላይ ማሕበረሰብ ንምህናጽ መደባት’ኳ እንተሃለዎም፡ ዜጋታት ኣብ ዘመናዊ ሕክምና ዘለዎም እምነት ግን ትሑት ይመስል። ኣብዚ ዝዀነ ሰብ ኣንጻር ኮቪድ-19 ዝተኸተበ ከምዘየለ ቤንጃሚን ነጊሩና። እዚ ኣብ ራይክስበርገር ናይ ሓባር መርገጺ'ዩ፣ ብዙሓት ድማ ኣብቶም ነቲ ለበዳ ንምቍጽጻር ዝውሰዱ ስጕምትታት ዝቃወሙ ሰልፊታት ተሳቲፎም እዮም። \"ሎሚ ንነብሶም ዝሓስቡ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ከም ናይ ውዲት ክልሰ-ሓሳባውያን ይዅነኑ እዮም\" ይብል ቤንጃሚን። \"እዞም ሰባት ግን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ጸገማቶም ጥራይ ዘይኮነስ ብዛዕባ ጸገማት ሕብረተሰብን ፖለቲካን እናሓሰቡ ዝሓድሩ ምዃኖም ሓቂ'ዩ።\" ካብቲ ከባቢ ወጺእና ብመኪና እናተመለስና ከለና፡ ሓደ ነባሪ ኣብ ሸኻኡ ደው ኢሉ ረኺብና። ብዛዕባ እቶም ነበርቲ እታ ግዝኣተ-ንግስነት እንታይ ከምዝሓስብ ምስ ሓተትኩዎ፡ ተጸዊጉ። ግብሪ ክኸፍሉ ኣለዎም ኢሉ። ስለምንታይ ሕጂ’ውን ካብ ጸጋታት ጀርመን ረብሓ ይረኽቡ እዮም። ኰይኑ ግን እቲ ኣዝዩ ዘጨነቖ ብዛዕባ ደቁ ምዃኑ ወሲኹ ሓቢሩ። \"እዚ ነገር ኣብ ልዕሊኦም እንታይ ዓይነት ጽልዋ ክህልዎ'ዩ?\" ይብል። ንብዙሕ ዓመታት ራይክስበርገር ቅሩብ ሃገራዊ ላግጺ እዩ ነይሩ። ሕጂ ግን ጀርመን ብዕቱብ ክትወስዶም ከምዘለዋ ትፈልጥ ኣላ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cevd7z51weyo"} {"headline":"ብዝጥሓለት ጃልባ 34 ስደተኛታት ሞይቶም","content":"ኣብ ገምገም ባሕሪ ሶርያ፡ ስደተኛታት ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ጃልባ ድሕሪ ምጥሓላ ኣስታት 34 ስደተኛታት ሞይቶም። ካልኦት 20 ውጻእ መዓት ኣብ ታርተስ፡ ደቡባዊት ከተማ ሶርያ ሕክምናዊ ክንክን ከም ዝተገብረሎም ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ። ሰብ መዚ ነቶም ካብቲ ሓደጋ ንዝደሓኑ ስደተኛታት ተወኪሶም ከም ዝሓበርዎ፡ እታ ጃልባ ካብ 120 ክሳብ 150 ዝዀኑ ሰባት ጽዒና ኣብ ጥቓ ወደባዊት ከተማ ሊባኖስ ትሪፖሊ ካብ እትርከብ ሚንየህ ከም ዝተበገሰት ሓቢሮም። መስርሕ ምድሓን ህይወት ግዳያት ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ከም ዝነበረ’ውን ተዛሪቦም። ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ሶርያ እትርከብ ታርተስ ካብ ሰሜናዊ ሸነኽ ወደባዊት ከተማ ሊባኖስ ትሪፖሊ 50 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ትርከብ። ሊባኖስ፡ ኣስታት 1.5 ሚልዮን ሶርያውያን ስደተኛታት፡ ከምኡ’ውን 14 ሽሕ ስደተኛታት ካልኦት ሃገራት ኣዕቝባ ከም እትርከብ ጸብጻባት ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ። ይዅን’ምበር፡ እታ ሃገር ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስን እቲ ኣብ 2020 ዘጋጠመ ምፍንጃር ወደብ በይሩትን ዝስዓቦ ጽልዋ፡ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ከምእትርከብ ይፍለጥ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ልዕሊ 80 ሚእታዊት ህዝባ መግብን መድሃኒትን ንምግዛእ ይጽገም ኣሎ። እዚ ድማ፡ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት ከቢድ ጽልዋ የሕድረሎም ኣሎ፤ መብዛሕትኦም ናብ ኣውሮጳ ንምኻድ ሓደገኛ መገዲ ይመርጹ። ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ፡ ስደተኛታት ሒዛ ካብ ሊባኖስ ናብ ኣውሮጳ ዝተበገሰት ጃልባ ኣብ ገማግም ቱርኪ ምስ ጠሓለት ህጻናት ዝርከብዎም ሽዱሽተ ሰባት ከም ዝሞቱ ይዝከር። ሓለውቲ ገምገም ባሕሪ፡ ካብታ ጃልባ 73 ስደተኛታት ከም ዝድሓኑ ገሊጾም።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4n08nzeqpno"} {"headline":"ጀርመን ብዕልዋ መንግስቲ ዝተጠርጠሩ 25 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣእትያ","content":"ኣብ መላእ ጀርመን ብዝተኻየደ ወፍሪ መንግስቲ ንምውዳቕ ውዲት ፈጺሞም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 25 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። እቲ ርሑቕ የማናውያንን ወተሃደራት ነበርን ዝሓቖፈ ጉጅለ፡ ንህንጻ ባይቶ፡ ራይክስታግ፡ ብምውራር ስልጣን ክሕዙ መደብ ከም ዝነበሮም ጸብጻባት እታ ሃገር ይሕብሩ። ሄይንሪክ መበል 13 መስፍን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወዲ 71 ዓመት ጀርመናዊ ሰብኣይ፡ ኣብቲ መደብ ቀንዲ ተራ ከም ዝነበሮ ይንገር። ብመሰረት ኣኽበርቲ ሕጊ ፌደራል፡ ኣብ መላእ 11 ግዝኣታት ጀርመን፡ መራሕቲ ጕጅለ ተባሂሎም ካብ ዝተኣሰሩ ክልተ ሰባት፡ እቲ ሓደ እዩ። ወጠንቲ እቲ ዕልዋ፡ ኣባላት ፖሊስ ጀርመን ንነዊሕ እዋን ብጎነጻዊ መጥቃዕቲታትን ዓሌታዊ ውዲትን ክከታተሎ ዝጸንሐ፡ ሪችስበርግር ዝተባህለ ሕሉፍ ምንቅስቓስ ዝርከቡዎም ከምዝኾኑ እዩ ዝግለጽ። እቶም ጡርጡራት፡ ንዘመናዊት መንግስቲ ጀርመን እውን ኣፍልጦ ከምዘይህቡ ይግለጽ። ኣስታት 50 ዝግመቱ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣካል ናይቲ ነታ ሪፓብሊክ ኣውዲቖም ብናይ 1871 ጀርመን ሞዴል ዝኾነ ሓዱሽ መንግስቲ - ካልኣይ ራይክ ዝበሃል ሃጸያዊ ግዝኣት - ንምትካእን ውዲት ከምዝኣለሙ ዝንገረሎም ጉጅለ ከምዝነበሩ ይንገር። ወሃቢት ቃል ቤት ፅሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል \"ክሳብ ሕጂ ናይዚ ጉጅለ ስም የብልናን\" ኢላ። ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል እታ ሃገር ዘመተታት ከምዝተኻየደን ኣብ ኣውስትርያን ኢጣልያን ክልተ ሰባት ከምዝተኣሰሩን ማዕከን ዜና ጀርመን ዲፒኤ ሓቢሩ። እቶም ዝተኣስሩ ሰባት ሎሚ መዓልቲ ንሕቶታት መርመራ ክቐርቡ እዮም። ሚኒስተር ፍትሒ ማርኮ ቡሽማን ኣብ ትዊተር፡ ዓቢ ስርሒት ጸረ-ሽበራ ይካየድ ከምዘሎን፡ \"ኣብ ልዕሊ ቅዋማዊ ኣካላት ዕጥቃዊ መጥቃዕቲ ክፍጸም ተሓሲቡ\" ከምዝነበረን ዘለዎ ጥርጣረ ገሊጹ። ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል እቲ ጉጅለ ካብ ሕዳር 2021 ጀሚሩ ዓመጽ ዝመልኦ ዕልዋ መንግስቲ ክኣልም ከምዝጸንሐ ገሊጹ። ካብ ፍሉያት ኣሃዱታት ዝመጹ ብሉጻት ወተሃደራት ነበር ዝሓቖፉ ኣባላት ሰራዊት ነበር እውን ርኡይ ኣካል ናይቲ ዕልዋ መንግስቲ ከምዝነበሩ ጸብጻባት ይሕብሩ። እቶም ውዲተኛታት ድሮ ንጀርመን ንምምሕዳር መደባት ከምዘውጽኡ ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ሓቢሩ። እቶም ኣባላት፡ ዕላማታቶም ብ\"ወተሃደራዊ ኣገባብን ኣብ ልዕሊ ወከልቲ መንግስታት ብዝፍጸም ዓመጽን\" ጥራይ ክጭብጡ ከምዝኽእሉን እዚ ድማ ቅትለት ምፍጻም ከምዘጠቓልልን ተረዲኦም እዮም። ሓደ ኣባል ታሕተዋይ ባይቶ ርሑቕ የማናዊ ዝነበረ ቡንደስታግ እውን ኣካል ናይቲ ውዲት ከምዝነበረን ኣብ መደብ ከምዝተሰርዐን ህዝባዊ ፈነወ ዚዲኤፍ ሓቢሩ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1kj89k0jgo"} {"headline":"ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ 'ዝኸፍአ ዕንደራ ብልሽውና' ከም ዝተፈጸመ ተገሊጹ","content":"ምክትል ፕረዚደንት ባይቶ ኣውሮጳ ካብ ሓንቲ ሃገር ወሽመጥ ዓረብ ጉቦ ወሲዳ ብዝብል ክሲ ኣብ ቀይዲ ምእታዋ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን ገሊጻ። እታ ፕረዚደንት ኮሚሽን ኣውሮጳ፡ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ሰባት ዝቐረበ ክሲ ብልሽውና፡ \"ኣዝዩ ዘተሓሳስብ\" ምዃኑ'ውን ወሲኻ ሓቢራ። ካብቶም ዝተኣሰሩ ምክትል ፕረዚደንት ባይቶ ኣውሮጳ ዝኾነት ኢቫ ካይሊ ኰይና፡ ከምዝተኸሰሰት ይእመን። ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ሓንቲ ሃገር ወሽመጥ ዓረብ - ቐጠር ከምዝዀነት ይንገር - ገንዘብ ወይ ህያባት ብምልጋስ ንባይቶ ኣውሮጳ ክትጸሉ ከምዝፈተነት ይጥርጥሩ። ቐጠር ግን ነዚ ክሲ ነጺጋቶ። ፖሊስ ቤልጅየም ብዓርቢ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝገበሮ 16 ፍተሻታት ኣስታት 632 ሽሕ ዶላር ዝግመት ጥረ ገንዘብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ። ኮምፒዩተራትን ሞባይላትን'ውን ትሕዝቶኦም ንምፍታሽ ከምዝተወስዱ ተፈሊጡ’ሎ። ኣርባዕተ ሰባት ክኽሰሱ እንከለዉ፡ ክልተ ድማ ከምዝተፈትሑ ኣኽበርቲ ሕጊ ትማሊ ሰንበት ገሊጾም። ስሞም ብግልጺ ዝተገልጸ ጥርጡራት የለዉን፣ እንተዀነ ኢቫ ካይሊ ካብቶም ተኸሲሶም ዘለዉ ምዃና ይእመን። ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ፈደራል ቤልጅየም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ \"ኣብ ገበናዊ ትካል ብምስታፍ፡ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብን ብልሽውናን እዮም ተኸሲሶም\" ኢሉ። ንሸሞንተ ዓመታት ኣባል ባይቶ ኣውሮጳ ኰይና ዝጸንሐት ኢቫ ካይሊ፡ ብፕረዚደንት ባይቶ ኣውሮጳ ሮበርታ ሜትሶላ ካብ ስርሓ ተኣጊዳ’ላ። ኣኽበርቲ ሕጊ ግሪኽ ንዅሉ ንብረት ኢቫ ካይሊ ከይንቀሳቐስ ከምዝዓገቱ ይግለጽ። ተቘጻጸርቲን ተቓወምቲ ኣባላት ባይቶ ኣውሮጳን፡ እቲ መርመራ ጉቦ ኣብ ታሪኽ ባይቶ ኣውሮጳ ካብ ዝተፈጸሙ ዓበይቲ ዕንደራታት ብልሽውና ሓደ ክውክል ከምዝኽእል ይገልጹ። ፕረዚደንት ኮሚሽን ኣውሮጳ ፎን ደር ሌየን፡ ኣብ ትካላት ኣውሮጳ ምትእምማን ዝለዓለ ስነ-ምግባራዊ ደረጃታት ከምዝጠልብ ገሊጻ። \"ኣብ ልዕሊ ምክትል ፕረዚደንት ባይቶ ኣውሮጳ ዝቐረበ ክስታት ኣዝዩ ዘተሓሳስብ፡ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ\" ኢላ። ኣቐዲሙ ሓላፊ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፕ ቦረል፡ ኣብ ኣኼባ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኣውሮጳ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ \"ብርግጽ እቲ ዜና ኣዝዩ፡ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ'ዩ\" ኢሉ። \"ገለ ፍጻመታት፡ ገለ ሓቅታት የጋጥሙና ኣለዉ፡ ብርግጽ ከም ፕረዚደንት ባይቶ ኣውሮጳ ነበር ዘጨንቐኒ'ዩ።\" ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ሓንቲ ሃገር ወሽመጥ ዓረብ፡ ንሓያሎ ኣዋርሕ ብፍላይ ድማ ንሓገዝቲ ዒላማ ብምግባር ንቝጠባውን ፖለቲካውን ውሳነታት እቲ ባይቶ ክትጸልዎ ምጽንሓ ጥርጣረ ከምዘሎ ገሊጾም። ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ እታ ግዝኣት፡ ቐጠር ከምዝዀነት ይገልጹ። መንግስቲ ቐጠር ግን እቲ ክሲ ኣብ \"ግጉይ ሓበሬታ\" ዝተመስረተ እዩ ይብል። ከም ምክትል ፕረዚደንት፡ ሓላፍነት ኢቫ ካይሊ ማእከላይ ምብራቕ ዘጠቓልል ኰይኑ ቅድሚ ሕጂ ተኸላኻሊት ቐጠር ከምዝነበረት ይግልጽ። ወሃቢ ቃል፡ ባይቶ ኣውሮጳ \"ኣንጻር ብልሽውና ብጽኑዕ ደው ይብል\" ከምኡ'ውን ምስ መርመርቲ \"ምሉእ ብምሉእ ይተሓባበር ኣሎ\" ኢሉ። ባይቶ ኣውሮጳ እቲ እንኮ ብቐጥታ ዝምረጽ ትካል ሕብረት ኣውሮጳ እዩ። እቲ ባይቶ፡ ዝቐረቡ ሕጊታት መርሚሮም ብመሰረት ሕጊ ኣውሮጳ ድምጺ ዝህቡ ኣብ 27 ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ዝምረጹ ኣስታት 705 ኣባላት ኣለዎ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cx7q1zl8w0po"} {"headline":"ሩስያን ክሪሚያን ዘራኽብ ብሕታዊ ድልድል ከቢድ ባርዕ ተላዒልዎ","content":"ኣብ መንጎ እታ ዝተጎበጠት ሓውሲ ደሴት ክሪሚያን ሩስያን ኣብ እትርከብ እንኮ መሳገሪ ዘጋጠመ ዓብዪ ባርዕ ብሰንኪ ምፍንጃር ናይ ጽዕነት መኪና ከምዝኾነ ሰበስልጣን ሩስያ ገሊጾም። ኣብ ጽርግያ ዘጋጠመ ፍንጀራ፡ ናብቲ ኣብ ክፍሊ ባቡር ዝነበራ ፍስቶታት ነዳዲ ተላቢዑ። ሕጂ ድልድል ኬርች ተጠቒማ ወተሃደራዊ ናውቲ ናብ ዩክሬን ተግዕዝ ዘላ ክሪሚያ፡ ኣብ 2014 እያ ብሩስያ ተጎቢጣ። ወግዓዊ ትዊተር ኣካውንት መንግስቲ ዩክሬን ነቲ ባርዕ \"ዘይተለምደ\" ኢልዎ’ሎ። ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዩክሬን ሚካይሎ ፖዶልያክ፡ ነቲ ዕንወት \"ናይ መጀመርታ\" ዝበሎ ዀይኑ፡ ብቐጥታ ግን ዩክሬን ሓላፍነት ከምትወስድ ኣይገለጸን። ንሱ፡ \"ኩሉ ዘይሕጋዊ ነገር ክጠፍእ ኣለዎ፡ ዝተሰርቀ ኩሉ ናብ ዩክሬን ክምለስ ኣለዎ፡ ኩሉ ብሩስያ ዝተጎበጠ ክምለስ ኣለዎ\" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። ሃገራዊ ኮሚቴ ጸረ-ሽበራ ሩስያ፡ \"ሎሚ 03፡07፡ ኣብ ጎኒ ሓውሲ ደሴት ታማን ኣብ ዝርከብ መገዲ ድልድል ክሪሚያ፡ ኣብ ሓንቲ ናይ ጽዕነት መኪና ፍንጀራ ኣጋጢሙ ናብ ሓውሲ ደሴት ክሪሚያ እትኸይድ ዝነበረት ባቡር ዝጸዓነቶ ሸውዓተ ፊስቶ ነዳዲ ኣባሪዑ። ክልተ ክፍልታት ናይቲ ድልድል ብኽፋል ፈሪሶም\" ኢሉ። ኣፈኛ ባይቶ ክሪሚያ ቭላድሚር ኮንታንቲኖቭ፡ ነቲ ምፍንጃር ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ \"ዩክሬናውያን ኣዕነውቲ፡ ኣብ መወዳእታ ደማዊ ኣእዳዎም ናብ ድልድል ክሪሚያ ዘርጊሖም\" ክብል ወቒሱ። ንሱ ወሲኹ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ድልድል ዝወረደ ዕንወት \"ከቢድ ስለዘይኮነ፡ ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ክምለስ እዩ\" ኢሉ። ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ድልድል ዘጋጠመ፡ መንግስታዊ መርመራ ክካየድ ከምዝኣዘዘን ወሃቢ ቃል ክረምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ ንማዕከን ዜና ኢንተርፋክስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ሓቢሩ። እቲ 19 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ንመጻብቦ ኬርች ዝሰግር ድልድል፡ ሞስኮ ንክሪሚያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ድሕሪ ምጉባጣ ኣብ 2018 ብፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዝተኸፍተ እዩ። ነቶም ንሎጂስቲክ ሩስያ ከጥቅዑ ዝጸንሑ ሓይልታት ዩክሬን ቁልፊ ዒላማ ከምዝኾነ ይግለጽ። እቲ መሳገሪ ካብቲ ዩክሬን ትቆጻጸሮ መሬት ልዕሊ 160 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ይርከብ። ሓደ ክኢላ ነታጒ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ባርዕ ብሰንኪ ሚሳይል ዘይክኸውን ይኽእል'ዩ ኢሉ። \"ኣብ ልዕሊ ጽርግያ ርኡይ ዝኾነ ናይ ምፍንጃር ዕንወት ዘይምህላዉ፡ ብኣየር ዝመጸ ኣጽዋር ኣብ ጥቕሚ ከምዘይወዓለ ዘመልክት'ዩ\" ኢሉ። ንሱ፡ \"ካብ ታሕቲ ብጽቡቕ ዝተወጠነ መጥቃዕቲ ክኸውን ይኽእል'ዩ\" ይብል። እቲ ምፍንጃር፡ ኮድ ብዘለዎ ሬድዮ ብሓንሳብ ዝተኣዘዘ ከምዝኸውን ጥርጣረ ከምዘለዎ ወሲኹ ይገልጽ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw40le112rpo"} {"headline":"ላህጃ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ስለምንታይ ተቐይሩ?","content":"ላህጃ ናይተን ንነዊሕ እዋን ዘገልገላ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ ኣብ ነዊሕ ዘመነ ንግስነተን ዝማዕበለን ኣብቲ እዋን ዘጋጠሙ ዓበይቲ ማሕበራዊ ለውጢታት ዘንጸባርቕን እዩ። እዘን ን70 ዓመታት ኣብ ዝፋን ንግስነት ዝጸንሓ፡ ካብ ምክፋል ሾርባ ዓተር ክሳብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዓለማዊ ለበዳ ሕማምን ብዙሕ ለውጥታት ርእየን እየን። ከም ዓለማዊት ምልክት ጽኑዕ መትከላትን ምርግጋእን ዝረኣያ እዘን ንግስቲ፡ ፍሉይን ክቡርን ውርሻ ሓዲገን እየን፡ ንሱ ድማ ንዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተቐድሐ ምስ ግዜ ዝቕየር ድምጸን እዩ። ኣብ ህዝባዊ መደረታት፡ ፈነወ ራድዮ፡ ተሌቪዥንን ኢንተርነትን ዝቐርብ ፍሉይ ላህጃ ግርማዊት ኤልሳቤጥ፡ ኣብ እዋን ንግስነተን ዓለም ብኸመይ ከም ዝተቐየረትን ንሰን እውን ብኸመይ ከምዝተቐየራ ዘመልክት እዩ። ብተወሳኺ፡ ቅዲ ኣዘራርባና ኣብ ምሉእ ዕድመ ወዲ ሰብ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝሕሰብ ዝነበረ ንላዕሊ ተዓጻጻፊ ኰይኑ ከም ዝጸንሕን ንተመኵሮታትናን ዝኽርታትናን ከም ዘንጸባርቕን ዝሕብሩ መርትዖታት ዘጠናኽር እዩ። ከምቲ ናይተን ንግስቲ ዝበለ ሃብታምን ዝርዝርን ዝተቐድሐ ድምጺ ዝገድፉ ሰባት ውሑዳት እዮም። ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት መዓልታት፡ ኣብ መላእ ዓለም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት፡ ኣብ 1947 ኣብ መበል 21 ዓመት ልደተን ዝተፈነወ መደረ እዘን ንግስቲ ተኸታቲሎም እዮም። ኣብቲ እዋን፡ ገና ልእልቲ ዝነበራ እተን ንግስቲ፡ \"ይንዋሕ ይሕጸር ብዘየገድስ ምሉእ ህይወተይ ንኣገልግሎትኩም ዝተወፈየ ከምዝዀነ ኣብ ቅድመኹም ይእውጅ\" ብምባል ድሮ ንህዝበን ቈሪጸን ከምዝተላዓላ ቃል ኣትየን ነይረን። ንቕድሚት ናብዚ መበል 21 ክፍለዘመን ምስ እንመጽእ፡ ኣብቲ ናይ መወዳእታ በዓል ልደት ፈነወአን፡ ነፍስሄር በዓል ቤተን ብዘሕዝን መገዲ ዘኪረን፡ ነታ ብለበዳ ኮቪድ ሕሱም ዝተሃስየት ሃገረን ዘጸናንዕ ምዉቕ ቃላት ኣስሚዐን። \"ዋላ'ኳ ንብዙሓት ዓብይን ጽቡቕ ታሕጓስን ዝረኣየሉ እዋን እንተዀነ፡ በዓል ልደት ግን ነቶም ዝፈትውዎም ዝሰኣኑ ሰባት ከቢድ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ብፍላይ ኣብዚ ዓመት፡ ስለምንታይ ከምኡ ከምዝዀነ ይርድኣኒ'ዩ\" ኢለን። ዋላ ንዘይሰልጠነ እዝኒ፡ ኣብ መንጐ እዘን ክልተ ቅዳሓት ዘሎ ፍልልይ ንጹር እዩ። ቀዳማይ ኣብ ድምጸን ባዕሉ ዝመጸ ለውጢ እዩ። ንመብዛሕትኡ ሰብ ከም ዘጋጥሞ፡ እተን ንግስቲ እናኣረጋ ምስ ከዳ ድምጸን እናዓሞቐን እናበሰለን ከይዱ። ካብዚ ብተወሳኺ ግን፡ ኣብቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝተቐድሑ ድምጺታት ካልኦት ረቀቕቲ ለውጥታት ኣለዉ። እዚ ድማ ተመራመርቲ፡ ላህጃ ምስ ግዜ ብኸመይ ከም ዝምዕብል፡ ብማሕበራዊ፡ ባህላውን ቴክኖሎጂያውን ምዕባለታት ብኸመይ ክጽሎ ከም ዝኽእል ንክርድኡ ይሕግዞም ኣሎ። \"ለውጢ ድምጺ ኣዝዩ ደንጉዩ ዝመጽእ እዩ፣ ስለዚ ኣብ ዕድመ ሓደ ዓቢይ ሰብ ከመይ ከም ዝቕየር ክንርኢ እንተደሊና፡ ንሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት ካብ ሓደ ሰብ ዝተቐድሐ ድምጺ ክህልወና ኣገዳሲ እዩ\" ይብል ፕሮፌሰር ድምጽን ኣብ ሉድቪግ-ማክሲሚልያንስ ዩኒቨርሲቲ ዳይረክተር ኢንስቲትዩት ድምጽን ዘረባን ጆናታን ሃሪንግተን። \"ብሰንኪ እቲ ኣብ 60ታትን 70ታትን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተራእየ ዓቢይ ማሕበራዊ ለውጥታትን እናወሰኸ ዝኸይድ ዝነበረ ምትሕውዋስ ማሕበራዊ ደርብታትን፡ እተን ንግስቲ ዝዛረባሉ ቅቡል ኣደማምጻ (Received Pronunciation) ብፍላይ ካብ 1950 ክሳብ 1980 ዘርኣዮ ለውጥታቱ መሳጢ'ዩ።\" ዋላ እኳ ብኸመይ ከምዝግለጽን ክሳብ ክንደይ ከምዝተዘርገሐን ነዊሕ ዝጸንሐን ክትዕ እንተሃለወ፡ ቅቡል ኣደማምጻ (Received Pronunciation) ካብ መወዳእታ መበል 19 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ከም ምዱብ ላህጃ እንግሊዝኛ ብሪጣንያ እዩ ዝቝጸር። ምስ ኣሪስቶክራሲ፡ ንጉሳዊ ስድራቤት፡ ምስ ምምስራት እንግሊዝ፡ ዝተኣሳሰር ኣደማምጻ እዩ። ዋላ’ኳ ቢቢሲ እንተዘየገደደ፡ ቅድሚ ካልኣይ ኲናት ዓለም ብዙሓት ኣዋጃት ኲናት ዘቕርቡ ጋዜጠኛታቱ ቅቡል ኣደማምጻ ይጥቀሙ ነይሮም። \"ተዛረብቲ እንግሊዝኛ ብሪጣንያ ዝዀኑ ክሳብ ሕጂ ነቲ ላህጃ (ቅቡል ኣደማምጻ) ይፈትውዎን ከም ክብሪ ዘለዎ ላህጃ ይቘጽርዎን እዮም\" ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሪዲንግ ዓባይ ብሪጣንያ ፕሮፌሰር ድምጺ ጄን ሴተር። እተን ንግስቲ ናይ ገዛእ ርእሰን ኣዘራርባ ገለ መለለዪ ቅቡል ኣደማምጻ ኰይኑ እዩ። በዚ ምኽንያት እንግሊዝኛ ንግስቲ ክበሃል ክኢሉ። በብዓመቱ ኣብ በዓል ልደት ዝፍነው መደረ እተን ንግስቲ፡ ብፍላይ ኣብ ታሪኽ ድምጸንን ላህጃአንን ንምክትታል ዘተኣማምን መገዲ ኰይኑ’ሎ። ሃሪንግተን ምስ መሳርሕቱ ኡልሪክ ሪቦልድ ብምዃን፡ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ህይወተን ላህጃአን ብኸመይን ስለምንታይን ከም ዝተቐየረ ንምርዳእ፡ እተን ንግስቲ ካብ ካብ 26 ክሳብ 91 ዓመተን ኣብ ዝነበራሉ እዋን ዘቕረባኦ 35 ፈነወታት ልደት ብዕምቈት ተንቲኖም። \"ኣብተን ንግስቲ ለውጢ እንተረኺብና፡ ሽዑ ኣብ መብዛሕትኦም ዓበይቲ ሰባት ተመሳሳሊ ለውጢ ከጋጥም ተኽእሎ ኣሎ ኢልና ምድምዳም ርትዓዊ'ዩ\" ይብል ሃሪንግተን። መጽናዕቶም፡ ላህጃና ወይ ኣደማምጻ ቓላትና ድሕሪ ምዕባይና ዘርእዮ ብዝሕ ለውጢ የለን ዝብል ሓሳብ ቅኑዕ ከምዘይኮነን ቀጻሊ ለውጢ ከርኢ ከምዝኽእልን ንምርዳእ ዝሕግዝ እዩ። ብሰፊሑ ክርአ ከሎ፡ ኣብ ውሽጢ ዕድመ ንድምጽን ላህጃን ወዲ ሰብ ዝቐርጹ ረቛሒታት ኣብ ክልተ ዓውድታት ይምቀሉ። ገለ ለውጢ ብሰንኪ ፊዚዮሎጂካዊ መስርሕ ጥራይ ዘጋጥሙ እዮም፤ እናኣረግና ክንከይድ እንከለና፡ ስርዓተ ድምጽና ቅርጹ ክቕየር እንከሎ፡ ኣውታር-ድምጽና ድማ እናረቐቐን እናተረረን ይኸይድ። እዚ ድማ ድምጺ \"ቀጢንን\" ድኹምን ዝዀነ ዝለዓለ ቅኒት ክህልዎ ይገብር። ኣብ ገለ ደቂ ኣንስትዮ ግን ኣውታር-ድምጺ ክረጉድ፡ ጸኒሑ’ውን ትሑት ቅኒት ከስዕብ ይኽእል። ትንተና ፈነወታት እተን ንግስቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብተን ቀዳሞት ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ንግስነተን፡ ላህጃአን ናይ ፍሉይ ላዕለዋይ ደርቢ ምዃኑ ቀኒሱ ናብቲ ንቡር ወይ ልሙድ ዝዀነ ላህጃ ተጸጊዑ። ንኣብነት፡ \" happy\" ኣብ ዝብል ቃል ኣብ መወዳእታ ዘስምዕኦ ድምጺ፡ ከምቲ ኣብ \"bit\" ዘሎ \"eh\" ዝብል ድምጺ ዘይኮነስ ዝያዳ ከምቲ ኣብ \"freeze\" ዘሎ \"ee\" ዝብል ድምጺ ናብ ምዃን ተቐይሩ። ሃሪንግተንን ሮቦልድን ኣብ ቀረባ እዋን ዝገበርዎ ትንታነ ግን፡ ምናልባት ዝያዳ ዘገርም ነገር ይገልጽ። ኣብተን ናይ መወዳእታ ዓመታት ህይወተን፡ ላህጃአንናብቲ ኣብ እዋን ንእስነተን ዝነበረ ኣደማምጻ ተመሊሱ። እተን ንግስቲ ኣብ 1950ታት መንእሰይ ከለዋ ፍሉይ ላዕለዋይ ደርቢ ላህጃ ነይርወን። ንኣብነትኣብ \"sat\" ዘሎ \"a\" ዝያዳ ከም \"set\" \"family\" ድማ \"famileh\" የድምጽኦ ነይረን። ንግስነተን እናቐጸለ ምስከደ ግን ላህጃአን እናተቐየረ ከይዱ። እዚ ክሳብ 1990ታት ዝቐጸለ ለውጢ’ዚ ምናልባት ኣብ ሰፊሕ ህዝብን ሕብረተሰብን ዝተራእየ ሰፊሕ ለውጢ ዘንጸባርቕ ክኸውን ከምዝኽእል ትንታነ ሃሪንግተንን ሮቦልድን ይሕብር። \"ድምጽታት ሓደ ማሕበረሰብ ዝመሓየሽ፡ ናይ ካልኦት ድምጻዊ ፍሉይነት ስለ ንቐድሕ እዩ\" ይብል ሃሪንግተን። \"ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ዝተገብረ ፈተነታት መብዛሕትኡ ግዜ ብዘይፍላጥና ከምንቀዳዳሕ ኣረጋጊጹ'ዩ።\" ሽዑ ገለ ካብቲ ኣብ ላህጃ ንግስቲ ዝመጸ ለውጢ ነጸብራቕ ናይቶም ዝረኸበቶም ሰባት ክኸውን ዝኽእል ይመስል። ብርግጽ ገለ መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ፡ ላህጃና በቲ እንርእዮ ተሌቪዥን ብረቂቕ መንገዲ ክጽሎ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ እተን ንግስቲ፡ ሰባት ኣብአን ዘለዎም ኣረኣእያ ንምቐያር ኰነ ኢለን ናይ ገዛእ ርእሰን ቅዲ ኣዘራርባ ቀይረን ክዀና ይኽእል’ዶ? መጽናዕቲ ሃሪንግተን ከምዝሕብሮ ግን እቲ ዝተቐየረ ላህጃ ቀስ ብቐስ ዝመጸ ከም ዝነበረ ዝሕብር እዩ። ሓያል ነጸብራቕ ሰፊሕ ማሕበራዊ ለውጢ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ እቲ ኣብ ላህጃ ንግስቲ ዝተራእየ ለውጢ ናትና ኣገባብ ኣዘራርባናን ድምጽናን ባዕሉ ኣብ ምሉእ ህይወትና ከመይ ከምዝቐየር ዘመላኽት እዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ንእስነትን ጕርዝውናን ኣብ ድምጽና ዓበይቲ ለውጢ ከም ዘጋጥም ይግመት ነይሩ። ብድሕሪኡ ላህጃ ሓደ ሰብ ብመጠኑ ጽኑዕ እዩ ተባሂሉ ይሕሰብ ነይሩ። ሕጂ ግን፡ ድምጽና ካብቲ እንሓስቦ ንላዕሊ ተዓጻጻፊ ምዃኑን፡ ሕጂ’ውን ኣብ ምሉእ ህይወትና፡ ዋላ’ውን ኣብ እርጋንና ብዓቢኡ ክንቅይሮ ከም እንኽእል መጽናዕትታት ከርእዩ ጀሚሮም ኣለዉ። እዚ ተዓጻጻፍነት’ዚ ኣብ ድምጺ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ድምጺ ካልኦት መላእ ዓለም ጽልዋ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ሰፊሕ ህዝቢን ተራእዩ’ዩ። ሓደ መግለጺ፡ ንናይተን ንግስቲ ናብ ኣደማምጻ ንእስነተን ምምላሰን፡ ምስቲ ምስ እርጋንናን ዝኽርታትና ዝሰርሓሉ ኣገባብ ዝተኣሳሰር ክኸውን ከም ዝኽእል ሃሪንግተን ይሕብር። ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ፡ ንጉስ ምዃኑ ኣብ ዝገበሮ ናይ መጀመርታ ህዝባዊ መደረ፡ ልክዕ ከምቲ እተን ንግስቲ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ን\"ፍቑር ኣቦአን\" ዝዘከራኦ ንኣደኡ ኣመስጊኑ እዩ። እቲ ንጉሳዊ ላህጃ ብኸመይ ከም ዝቕጽሎ ድማ ኣብ ቀጻሊ ክርአ እዩ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c13jre50kgjo"} {"headline":"ጉጅለ 20 እንታይ’ዩ፡ መራሕቲከ ብዛዕባ እንታይ ይዘራረቡ?","content":"መራሕቲ ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 [ጂ20] ዝመጽእ ሰኑይ ኣብ ኢንዶኔዥያ ከተማ ባሊ ተራኺቦም ዓመታዊ ጉባኤኦም ከሳልጡ እዮም። ቀንዲ ዕላማ እዚ ኣኼባ፡ ቁጠባ ዓለም ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዘሕደሮ ጸቕጢ ክወጽእ ዝሕግዙ መገዲታት ምንዳይ እኳ እንተዀነ፡ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝቕጽል ዘሎ ኲናት፡ ነዚ ዘተ ከተዓናቕፎ ይኽእል'ዩ። ጉጅለ 20 - ዝማዕበላን ብኢንዳስትሪ ዝበልጸጋን ሃገራት ብኣባልነት ዝሓቘፈ ጥርናፈ እዩ፥ እዚ ድሕሪ እቲ ኣብ ምብራቕ ኤዥኣ ብ1999 ዘጋጠመ ቁጠባዊ ቅልውላው ክምስረት እንከሎ፡ እቲ ዝዓበየ መድረኽ ዓለምለካዊ ቁጠባን ፋይናንሳዊ ምትሕብባርን ኰይኑ እዩ። እዚ ጉጅለ፡ 19 ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ዝሓቘፈ’ዩ። ስጳኛ፡ ወትሩ ዕድምቲ ጋሻ ኰይና ትሳተፍ። ናይዚ ካልእ መልክዕ ዝዀነ፡ ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ዝርከባሉ ኣባል ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ [ጂ7] ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕብየት ዘመዝግባ ከም ቻይና፣ ብራዚልን ህንድን ዝበላ ዝሓቘፈ ጉጅለ’ውን ኣሎ። ኣብ ሞንጐኦም፡ ኣባል ሃገራት ጉጅለ-20፡ 85% ቁጠባዊ ውጽኢት ዓለምን 75% ንግዲ ዓለምን ዝሕዛ ኰይነን፡ ክልተ ሲሶ ህዝቢ ዓለም’ውን ዝሓዛ እየን። ኣብ መጀመርታ፡ ኣኼባ ጉጅለ 20 ኣብ ሞንጐ ሚኒስትራት ፋይናንስን ማእከላይ ባንክን እዩ ዝካየድ ነይሩ። ብ2008 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] መራሕቲ እተን ሃገራት ንፈለማ እዋን ካብ ዝራኸቡ ንድሓር ግን ስሩዕ ፍጻመ ኰይኑ ቀጺሉ። ዋዕላታት መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ 20 ዝዝትዩሎም ጉዳያት ካብ ቁጠባ ብዝሰገረ ክሊማዊ ለውጢ፣ ዘላቒ ጸዓት፣ ሕድገት ዓለምለኻዊ ልቓሕን ምትሕብባራት ንብዙሓት ሃገራት ዘሳትፍ ግብርን ዘጠቓለለ ኰይኑ እዩ። ዓመታዊ፡ ፕረዚደንትነት እቲ ጉጅለ ካብ ሓንቲ ሃገር ናብ ካልእ ዝሰጋገር ኰይኑ፡ ኣጀንዳ እቶም ዝካየዱ ኣኼባታት ይቐርጽ። ኣብዚ ዓመት፡ ኢንዶኔዥያ ፕረዚደንት እቲ ጉጅለ ኰይና፡ እቲ ኣብ ባሊ ዝካየድ ጉባኤ ድማ፡ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ስዒቡ ክህሉ ብዛዕባ ዝግብኦም ዓለማዊ ስጉምትታት ጥዕናን ምሕዋይ ቁጠባን ዘተኮረ ክኸውን ትደሊ። ብተወሳኺ፡ ሃገራት ዘላቒ ጸዓት ከስፋሕፍሓ ድልየት ኣለዋ። ይኹን’ምበር፡ ህልዊ ፖለቲካ ዓለም ነቲ ዋዕላ ከይዕብልሎ ይስጋእ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን፡ ሩስያ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ዝፈጸመቶ ወራር ካብ ኣባልነት እቲ ጉጅለ ክትወጽእን ፕሬዝደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብቲ ዋዕላ ክሳተፍ ዝቐረበሉ ዕድመ ክስረዝን ሓቲቱ ኣሎ። ፕረዚደንት ፑቲን ብወገኑ፡ ኣብቲ ኣኼባ ክሳተፍ ወይ ልኡኻት ሰብ መዚ ሩስያ ክሰድድ ብዛዕባ ምዃኑ ጌና ከም ዘይወሰነ ገሊጹ። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን’ውን ንወራሲ ዓራት ልኡል ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ሰላምታ ክነጽጐ ከም ዝኽእል ይግመት። ፕረዚደንት ባይደን፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ሩስያ ኣብ ዩክሬይን ንእተካይዶ ዘላ ኲናት ፋይናንስ ብምግባር ትሕግዛ ኣላ ብምባል ይኸስስ። ክልቲአን ሃገራት፡ ዋጋ ዘይተጻረየ ነዳዲ ክውስኽ ብሓባር ከም ዝሰርሓ’ውን ይገልጽ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ መራሕቲ እተን ሃገራት ሓበራዊ ስእሊ ይለዓሉ’ዮም። እዚ፡ ስምምዓት እቶም መራሕቲ ንምሻጥ ከም ዕድል ይጥቀሙሉ’ዮም። ሓሓሊፉ ግን፡ እቶም ኣብቲ ዕለት ዝውሰዱ ስእልታት ዘሕልፉዎ መልእኽቲ ርእሰ ዜና ዓለም ክኸውን ይርኣይ እዩ። ንኣብነት፡ ብ2018 ኣብ ቆንስል ኢስታንቡል ብዝተፈጸመ ቅትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ፡ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብቲ ኣኼባ በቶም መራሕቲ ጽቡቕ ኣቀባብላ ኣይጸንሖን፤ ኣብቲ ሓበራዊ ስእሊ ድማ ኣብ ጫፍ ኰይኑ ተሳኢሉ። ኣብ እዋን እቲ ዓብዪ ዓለምለካዊ ቁጠባዊ ቅልውላው፡ ብ2008ን 2009ን ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ እቶም መራሕቲ ንዓለምለኻዊ ፋይናንሳዊ ስርዓት ንምድሓን ዝሕግዙ ብርክት ዝበሉ ስጉምትታት ክወስዱ ተሰማሚዖም። ድሕሪኡ ዝተኻየዱ ዋዕላታት ግን፡ ብዙሕ ሃናጺ ተራ ዝነበሮም ኣይኰኑን፤ እዚ በቲ ኣብ መንጎ ተቐናቐንቲ ሓይልታት ዓለም ዝተፈጥረ ወጥሪ ብምብልሻው ከም ዝዀነ ይግለጽ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ኣኼባ ሚኒስተራት ፋይናንስን ማእከላይ ባንክታትን ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20፡ ብሰንኪ ወራር ዩክረይን፡ ኣብ መንጎ ሩስያን ምዕራባውያን ሓይልታትን ብዝተፈጥረ ክትዓት ብዙሕ ኣይተሰማምዑን። ይኹን እምበር፡ ሃገራት መብዛሕትኡ ግዜ ጐናዊ ርክባት እቲ ዋዕላ ብምክያድ ኣብ ስምምዕ ይበጽሓ እየን። ንኣብነት፡ ኣብ 2019 ኣብ ኦሳካ ኣብ ዝተካየደ ኣኼባ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕን ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግን፡ ነቲ ኣብ ሞንጐ እተን ሃገራት ዝነበረ ንግዳዊ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ዳግማይ ዝርርብ ክጅምሩ ተሰማሚዖም። መብዛሕትኡ ግዜ ክኣ፡ መራሕቲ እዘን ሃገራት ኣብ ዝራኸብሉ ግዜ ዓበይቲ ሰልፍታት ተቓውሞ ይካየዱ’ዮም። ብ2018፡ ኣብ ቦነስ ኣይረስ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ኣንጻር ፖሊሲታት ቁጠባ ጉጅለ 20 ተቓውሞ ኣስሚዖም ነይሮም። ብ2017 ድማ፡ ጸረ-ካፒታሊስት ተቓወምቲ ኣብ ሃምቡርግ ናዕቢ ኣካይዶም። ብ2018 ኣብ ሪዮ ዲ ጄኔርዮ ከመኡ’ውን ብ2010 ኣብ ቶሮንቶ ኣብ ዝተኻየዱ ርክባት ጂ20 ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ሰልፊ ኣካይዶም ነይሮም። ኣብ 2009፡  ኢያን ቶምሊንሰን ዝተባህለ ሸያጢ ጋዜጣ፡ ካብ ስራሕ ናብ ገዝኡ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ኣንጻር ዋዕላ ጂ20 ኣብ ዝነበረ ተቓውሞ ከም ዝተቐትለ ይግለጽ። ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20፡ ኣርጀንቲና፣ ኣውስትራሊያ፣ ብራዚል፣ ካናዳ፣ ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ህንዲ፣ ኢንዶኔዥያ፣ ጥልያን፣ ጃፓን፣ ሜክሲኮ፣ ሩስያ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ደቡብ ኮርያ፣ ቱርኪ፣ ሕቡራት ኢመራት ዓረብ፣ ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን እየን።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c8vgvrng1vdo"} {"headline":"ፖርቱጋል: ብደገፍ ሕክምና ዝፍጸም ርእሰ-ቅትለት ዝፈቅድ ሕጊ ከተጽድቕ ትጽቢት ይግበር","content":"ፓርላማ ፖርቱጋል ኣብ ውሱናት ኩነታት ብሕክምናዊ ሓገዝ ርእሰ-ቅትለት ዘፍቅድ ሕጊ ሎሚ ዓርቢ ከጽድቕ ትጽቢት ይግበር። እዚ ንዓበይቲ ሰባት ጥራይ ዝምልከት ኮይኑ እቲ ድሌት \"እዋናውን ተደጋጋምን፡ ዕቱብ፡ ነጻን ፍቓድ ዝተገልጸሉን\" ምስ ዝኸውን ጥራይ'ዩ ዝፍቀድ ። እቲ ሰብ \"ኣብ ኣዝዩ ጽዑቕ ስቓይ፡ ሕሉፍ ሳዕቤን ዘለዎ ጉድኣት ምዃኑ ዝተረጋገጸሉ፡ ወይ ከቢድን ዘይፍወስን ሕማም ዘለዎ\" ክኸውን ኣለዎ። እቲ ስጉምቲ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ብኣጻብዕ ዝቑጸራ ሃገራት ጥራይ ምስ ዝተወሰነ ሕግታት ዝመሳሰል እዩ። እቲ ናይ መወዳእታ ቅዳሕ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ኮሚቴ ጸዲቑ ኣሎ። እቲ ጉዳይ ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ሓያል ክትዓት ዝተገብረሉ'ዩ ነይሩ። ብኣባላት ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ'ውን፡ ኣብቲ ጉዳይ ህዝበ-ውሳነ (ረፈረንደም) ክካየድ ናይ መወዳእታ ጻውዒት ቀሪቡ ነይሩ። ኣብታ ብብዝሒ ኣመንቲ ካቶሊክ ዝነብሩላ ሃገር ብግምት ፍርቂ ካብቶም መረጽቲ ብሕክምናዊ ሓገዝ ነብሰ ቅትለት ምፍቃድ ዝድግፉ ከምዝኾኑ ርእይቶታት መረጻ ይሕብሩ። ቤተክርስትያን ካቶሊክ ግን ኣትሪራ ከም ትቃወሞ ይንገር። ሰልፊ ማሕበርነታዊ ዲሞክራስያዊ፡ መስርሕ ሓጋጊ ኣካል ደው ክብልን ረፈረንደም ክካየድን ዝቐረቦ ጻውዒት ድሕሪ ምንጻጉ'ዩ ሎሚ ዓርቢ ንዝግበር ናይ መወዳእታ ውሳነ መንገዲ ጸሪጉ ዘሎ። ብሕክምናዊ ሓገዝ ዝፍቀድ ነብሰ ቅትለት (ዩተናዥያ) ንምፍቃድ ዝዓለመ እማመታት ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 2020 ዝቐረበ ኮይኑ፡ ፖርቱጋል ነዚ ዝፈቐደት ራብዐይቲ ሃገር ኣውሮጳ ክትከውን ከምእትኽእል ብሰፊሑ ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ። ይኹን እምበር ዓቃባዊ ፕረዚደንት ፖርቱጋል ማርሴሎ ረቤሎ ደ ሶሳ፡ ኣብ ሕጋውነት ገለ ክፋል ናይቲ ሕጊ ሕቶታት ብምልዓል ናብ ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ልኢኽዎ። ብድሕሪኡ እቲ ባይቶ ነቲ ተቓውሞታት ብዘማልእ መልክዕ ነቲ እማመ ዳግማይ ኣመሓይሽዎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሕዳር ክሕገግ ናብቲ ፕረዚደንት ምስ ተላእኸ ግን፡ እቶም ንዘይሓውዩ ኩነታት ዝገልጹ ዓንቀጻት ዝጋጨውን መብርሂ ዘድልዮምን እዮም ብዝብል ምኽንያት መሊሱ ዓጊትዎ።ኣብቲ እዋን'ቲ ግን ነቲ ቤት ፍርዲ ከየሳተፈ፡ ንዝሓለፈ ውሳነ ኣብ ግብሪ ከይውዕል ናይ ምቅዋም መሰሉ ተጠቒሙ እዩ ክዓግቶ ክኢሉ። እቲ መስርሕ ዝያዳ ተጓቲቱ፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝተመሓየሸ እማመ እውን ዝሓለፈ ውሳነ ኣብ ግብሪ ከይውዕል ናይ ምቅዋም መሰሉ ተጠቒሙ፤ ድሕሪኡ ነቲ ባይቶ ኣፍሪሱ ብኣግኡ ሓፈሻዊ መረጻ ክካየድ ጸዊዑ። እዚ፡ እቲ መስርሕ ምሕጋግ ዩተናዥያ ዳግማይ ካብ ባዶ ክጅምር ኣለዎ ማለት'ኳ እንተኾነ፡ እቲ መረጻ ግን ንሶሻሊስት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶንዮ ኮስታ ንመጀመርታ ግዜ ዓብላሊ ድምጺ ክረክብ ኣኽኢልዎ እዩ። እቲ ንመትከል ብደገፍ ሕክምና ዝካየድ ነብሰ ቅትለት ብትሪ ዝድግፍ ሓድሽ መንግስቲ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ምስቲ ዝሓለፈ ኣዝዩ ዝመሳሰል ሓድሽ እማመ ከዳልው ጀሚሩ፣ ዋላ'ኳ ካብቲ ሕቶ ዝቐረበሉን ኣብቲ ሰብ ድማ ስነ-ኣእምሮኣዊ ገምጋም ዝተገብረሉን እዋን ጀሚሩ እንተወሓደ ናይ ኽልተ ኣዋርሕ ግዜ ዝጠልብ ረቓሒታት እንተተወሰኸ። ብዙሓት ኣባላት ተቓወምቲ እውን ነቲ ምምሕያሽ ስለ ዝድግፉ፡ ብቐሊሉ ክጸድቕ ተኽእሎ ኣሎ። ብክልሰ-ሓሳብ ደረጃ፡ እዚ ሓድሽ እማመ ስለዝኾነ፡ እቲ ፕረዚደንት መሊሱ ነቲ ዝሓለፈ ውሳነ ኣብ ግብሪ ከይውዕል ናይ ምቅዋም መሰሉ ክጥቀም ይኽእል'ዩ፡ እዚ ዝፍጠር ግን ኣይመስልን። ብመሰረት ሕጊ እንግሊዝ፡ ዩተናዥያ ዘይሕጋዊ ኮይኑ ከም ቅትለት ሰብ እዩ ዝቑጸር። ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣውሮጳ - ቤልጅየም፡ ሉክሰምበርግን ሆላንድን - ጥራይ ምሉእ ብምሉእ ሕጋዊ ኮይኑ ይርከብ። ዝተፈላለየ ዓይነት ብደገፍ ሕክምና ዝግበር ሞትን ኣብቶም ሃለዋቶም ዘይፈልጡ ዝካየድ ዩተናዥያ (ንኣብነት ዝወሃቦም ሕክምናዊ ደገፍ ብምስሓብ) ግን ኣብ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ሕጋዊ ከምዝኾነ ይፍለጥ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ce4gwn7qzpqo"} {"headline":"ልኡል ሃሪ ‘ረሳሕ ጸወታ’ ዝበሎ ምስጢር ንጉሳዊ ቤተሰብ ዝገልጽ ቃለመጠይቕ ክቐርብ’ዩ","content":"ልኡል ሃሪ ኣብታ ብዛዕባኡን በዓልቲ ቤቱ ሜጋንን ኣብ ኔትፍሊክስ ክትቀርብ ንመወዓውዒ ተባሂሉ ኣብ ዝተዘርገሐ ሓጺር ቪድዮ፡ “ሞሊቘም ዝወጽኡ’ዮም እናበልካ ዛንታታት ምፍጣር ረሳሕ ጸወታ’ዩ” ኢሉ። ነቲ ዝበሎ ከብርህ እንከሎ፡ ንበዓልቲ ቤቱ ሜጋንን ንወላዲቱ ልእልቲ ድያናን ኣብቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ዘጓንፈን ዝነበረ፡ “ኣብ ከምዚ ዓይነት ኵነታት ሓዳር ዝገበረት ጓል ኣንስተይቲ እተሕልፎ ቃንዛን ስቅያትን” ንምግላጽ ምዃኑ የብርህ። ኣብቲ ብሕጂ ኣብ ኔትፍሊክስ ዝፍኖ ተኸታታሊ መደብ፡ ጉዳይ ንጉሳዊ ስድራቤትን ዓሌትነትን’ውን በቲ ኣዘንታዊ ተላዒሉ ኣሎ። እዚ ሽዱሽተ ክፋል ዘለዎ መደብ ካብ ሓሙስ ጀሚሩ’ዩ ክፍኖ። ልኡል ሃሪ ኣብ ቤተ መንግስቲ ባኪንግሃም ኰይኑ ኣብ ዝተዛረበሉ፡ “ኣብዚ ስድራ ደረጃታት ኣሎ፡ ልሒኹ ዝወጽእ ኣሎ ጐድኒ ጐድኒ ከኣ ምዓት ዛንታታት’ዩ ዝፍጠር” ክብል ይስማዕ። ልኡል ሃሪን ሜጋንን ካብቲ ንጉሳዊ ስድራ ባዕሎም ስለዘግለሉ፡ ኣብቲ ናይ ነፍስሄር ንግስቲ ኤልሳቤጥ በዓለ ‘ፕላቲንየም’ ምስ ኣባላት እቲ ንጉሳዊ ስድራ ኣብቲ ፍሉይ ገበላ ደው ክብሉ ኣይተፈቐደሎምን። እቲ ንልኡል ሃሪ፡ በዓልቲ ቤቱን ካልኦት ተዛመድቲ ነገራት ዘውግዕ መደብ፡ ሰሰለስተ ክፋል ዝሓዘ ክልተ ምዕራፋት’ዩ ክህልዎ፤ ቀዳማይ ምዕራፍ 8 ታሕሳስ ካልኣይ ምዕራፍ ከኣ 15 ታሕሳስ ክፍኖ’ዩ። ኣብዚ ንመወዓውዒ ተባሂሉ ተፈንዩ ዘሎ ሓጺር ቪድዮ፡ ልኡል ሃሪን በዓልቲ ቤቱን ምስ ካልኦት ኣባላት እቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ዝነበሮም ጸገማት ብምግላጽ ናብ ኣሜሪካ እናኣምርሑ እንከለዉ’ዩ ዝዛዘም። እቲ መደብ ክጅምር እንከሎ ሜጋን ልክዕ ከም ኣዝያ ህብብቲ ድምጻዊት ኣዝዩ ውዕውዕ ኣቐባብላ እናተገበረላ እንከሎ ይጅምር። ካብኡ “ሃንደበት ኵሉ ነገር ተቐያይሩ” ትብል’ሞ ልኡል ሃሪ ብዛዕባ እቲ ዛንታታት ምፍጣር ዝበሎ ይትርኽ። ብድሕሪ እዚ ክሪስቶፈር ቦውዚ ዝተበሃል ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዝርጋሕ ስኑዕ ዜናታት ዝፈሊ ትካል ዘለዎ ክኢላ፡ “እቲ ዛዕባ ናይ ጽልኢ’ዩ፡ እዚ ዛዕባ ናይ ዓሌት’ዩ” ክብል ይስማዕ። ክሪስቶፈር ቦውዚ፡ ንልኡል ሃሪን ንሜጋንን ነቲ ብዛዕባኣ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝናፈስ ዘረባታት ንኽትጻወሮ ምኽሪ ዝህባ ዝነበረ ደጋፊኣ’ዩ። ኣብቲ ሓጺር ቪድዮ ነቲ ሜጋን ወሪዱኒ ትብሎ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ድያና ክቱር ናይ ማዕከናት ዜና ኣተኵሮ ከምትርከብን ብምግባር ዝወርዳ ዝነበረ ጸቅጢ ብምንጽጻር ሜጋን “ሓደ ነገር ክርዳእ ክኢለ፡ ካብ ዝዀነ ነገር ዝከላኸሉ ኣይኰኑን” ሃሪ ብወገኒ፡ “ኵሉ እቲ ሓቂ ንፈልጦ ኢና” ብምባል ዘረባኡ ይዓጹ። እንተዀነ ኣብቲ ቪድዮ ምስቲ ዝለዓል ዘሎ ነገር ዋላ ሓንቲ ምትእስሳር ዘይብሎም ኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብ ስእሎም ስለዝርአ ድሮ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣዘራራቢ ኰይኑ ኣሎ። ቤተ መንግስቲ ባኪንግሃም ክሳብ ሕጂ ዝዀነ ዝሃቦ ርእይቶ የለን። ብልኡል ሃሪን ሜጋንን እንታይ ዓይነት ክስታት ቀሪቡ ክኸውን ከምዝኽል ግን ካብ ሕጂ ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎ ይግለጽ። ብዘይካ'ዚ ድሕሪ እቲ ኣብ ኔትፍሊክስ ዝቐርብ መደብ ልኡል ሃሪ’ውን ንውልቃዊ ታሪኹ እተዘንቱ መጽሓፍ ኣብ ሓዲሽ ዓመት ክዝርግሕ’ዩ። እቲ ኣብ ኔትፍሊክስ ዝፍኖ መደብ “behind closed doors\" [ድሕሪ’ቲ ዕጹው ማዕጾ] ዝበላ ኣርእስቲ’ዩ፡ እቲ ዛንታ ከኣ ልኡል ሃሪን ሜጋንን ኣብ 2020 ንምንታይ ካብቲ ቤተ መንግስቲ ከምዝወጽኡ ዘዘንቱ እዩ። እንተዀነ ብዛዕባ እዚ ዛንታ'ዚ ምስ ውርይቲ ጋዜጠኛ ኦፕራ ዊንፍረይ ኣዕሊሎም ስለዝነበሩ እንታይ ሓድሽ ነገር ከይህልዎ’ዩ ዝብሉ’ውን ኣይተሳእኑን። ሜጋን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመጠይቕ፡ ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ተነጽሎ የጋጥም ከምዝነበረ’ያ ኣትሪራ ተዛሪባ ነይራ። ብዘይካ'ዚ ሽሙ ዘይተገለጸ ኣባል እቲ ንጉሳዊ ስድራ፡ እቲ ዝወልድዎ “ክሳብ ክንደይ ክጽልም’ዩ?” ኢሉ ሓቲትዋ ምንባሩ ብምስቍርቋር ገሊጻ ነይራ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cxweg87gwxko"} {"headline":"ብናይ ብሕቲ ጀት ስደተኛታት ከምዘሰጋገሩ ዝተጠርጠሩ ሓሙሽተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ውዒሎም","content":"ስደተኛታት ከም ዲፕሎማት ኣምሲሎም፡ ብናይ ብሕቲ ጀት፡ ናብ ምዕራብ ኣውሮጳ ብምስግጋር ዝተጠርጠሩ 5 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ፖሊስ ጣልያን ሓቢሩ። እቶም ጥርጡራት፡ ናይቶም ስደተኛታት ስኑዕ ዲፕሎማስያዊ ወረቐት ናይ ሃገራት ካሪብያን ሴንት ኪትስን ኔቪስን እዮም ኣቕሪቦም። እተን ናይ ብሕቲ ጀታት ነቶም ስደተኛታት ካብ ቱርኪ ጽዒነን ብወግዒ ናብ ካሪብያን ዘምርሓ ዝነበራ ኮይነን፡ ኣብ ሓደ መዕረፎ ነፈርቲ ኣውሮጳ ምስ በጽሓ፡ እቶም ስደተኛታት ሓቀኛ መንነቶም ብምግላጽ ዑቕባ ሓቲቶም። ፖሊስ፡ እቲ ጉጅለ ንሓደ ሰብ ኣስታት 10 ሽሕ ዩሮ ከም ዘኽፍል ይኣምን። እቶም ሓሙሽተ ጥርጡራት ኣብ ሮማን ብራስለስን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ። ካልኦት ክልተ ጥርጡራት ግና ጌና ኣብ ይድለዩ ኣለው። ሓደ ጣልያናዊ፡ ሰለስተ ግብጻውያን ደቂ ተባዕትዮን ሓንቲ ቱኒዝያዊትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ሓላፊ ፖሊስ ኮስታንቲኖ ስኩዲየሪ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። እቶም ጥርጡራት፡ ኣባላት ሓደ ዘይሕጋዊ ስደት ኣብ ምድጋፍ ዝነጥፍ ገበናዊ ትካል እዮም ብዝብል ከምዝተኸሰሱ’ውን ተፈሊጡ’ሎ። እቲ መርመራ፡ ፖሊስ ጣልያን ምስ ፖሊሰ ቤልጅየም፡ ጀርመን፡ ኦስትርያን ፈረንሳን፡ ከምኡ’ውን ትካላት ሕብረት ኣውሮጳን ኣሜሪካን ዝተሓባበሩሉ ኣህጉራዊ ስርሒት እዩ። እቶም መርመርቲ፡ ኣብ መንጎ ጥቅምትን ታሕሳስን 2020 ኣብ ጣልያን፡ ጀርመን፡ ፈረንሳ፡ ኦስትርያን ቤልጅየምን ሓሙሽተ ዝተፈላለየ ምርጋፍ ስደተኛታት ከምዝተገብረ ዝሕብር መረዳእታ ከምዝሰነዱ ይግለጽ። ፖሊስ ቤልጅየም ከም ኣካል ናይቲ መርመራ፡ 426 ሽሕ ዩሮ ዝዋግአን ክልተ ናይ ብሕቲ ጀት እውን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣእትዩ ኣሎ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd12k702w3jo"} {"headline":"ኣብ ፖላንድ ዝዓለበ ሚሳይል ካብ ዩክረይን ዝተተኮሰ ክኸውን ይኽእል'ዩ - ኔቶ","content":"ብሰሉስ ኣብ ፖላንድ ክልተ ሰባት ዝቐተለ ሚሳይል ካብ ዩክረይን ዝተወንጨፈ ክኸውን ከምዝኽእል ዋና ጸሓፊ ኔቶ ጀንስ ስቶልተንበርግ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። መርመራታት እቲ ምስ ዩክረይን ኣብ ዘዋስን ዶብ ዝዓለበ ሚሳይል ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ \"ብዓቢኡ እዚ ናይ ዩክረይን ናይ ምክልኻል ሚሳይል ክኸውን ይኽእል'ዩ\" ኢሉ። ሩስያ ግን ኣብ መወዳእታ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን እትገብሮ ዘላ ቀጻሊ ወራር ክትውቀስ ምዃና ኣስሚሩሉ ኣሎ። መግለጺ ሓላፊ ኔቶ ጀንስ ስቶልተንበርግ ስዒቡ፡ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ እቲ ኣብ ፖላንድ ዝዓለበ ሚሳይል ናይ ዩክረይን ከምዘይኰነ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ መረጋገጺ ከምዝረኸበ ገሊጹ። ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ብተሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ \"እዚ ናትና ሚሳይል ከምዘይኰነ ኣይጠራጠርን\" ኢሉ። \"ብመሰረት ወተሃደራዊ ጸብጻባትና፡ እዚ ሚሳይል ናይ ሩስያ እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ።\" ብተወሳኺ ሰበስልጣን ዩክረይን ናብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ቦታ ክኣትዉ ክፍቀደሎም፡ ከምኡ’ውን ኣካል ናይቲ መርመራ ክዀኑ ጸዊዑ። ሩስያ ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ዝዓበየ ማዕበል መጥቃዕቲ ሚሳይላት ድሕሪ ምውንጫፋ፡ ስርዓታት ምክልኻል ኣየር ዩክረይን ብሰሉስ ተንቀሳቒሶም እዮም። ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ሚሳይላት ሩስያ ነታ ሃገር ዒላማ ገይሮም'ኳ እንተነበሩ፡ ዩክረይን ግን ንመብዛሕትኦም ከምዘፍሸለቶም ትገልጽ። ዋዕላ ጕጅለ 20 ኣብ ኢንዶነዥያ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ዝተፈጸመ ጃምላዊ መጥቃዕቲ፡ ​​ኣህጕራዊ ኣውያት ዘስዓበ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ውሽጢ መሬት ኣባል ኔቶ ፖላንድ ዝዓለበ ሚሳይል ዝገልጽ ዜና ድማ ነቲ ኲናት ብሓደገኛ መንገዲ ከየጋድዶ ስግኣት ኣለዓዒሉ። ሚስተር ስቶልተንበርግ፡ ኔቶ ነታ ኣባል ናይቲ ኪዳን ዘይኰነት ግን ከኣ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ሓገዝ እትረክብ ዩክረይን \"ዝያዳ ምዕቡል ስርዓተ ምክልኻል ኣየር\" ንምቕራብ ቃል ከምዝኣተወ ገሊጹ። \"ሎሚ ኣብ ኣኼባ ሓደ ንዩክረይን ዝድግፍን መሻርኽትን ኔቶ ተሳቲፈ ነይረ። ንሳቶም ንሚሳይላት ሩስያ ወቒዖም ዘውድቝ ዝያዳ ምዕቡል ስርዓታት ምክልኻል ኣየር ንምሃብ ሓድሽ መብጽዓታት ኣትዮም\" ኢሉ እቲ ሓላፊ ኔቶ። \"ኣብ መጻኢ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ንምክልኻል እቲ ዝበለጸ መገዲ ግን ሩስያ ኲናት ደው እንተበለት'ዩ።\" \"እዚ ሩስያ ኰነ ኢላ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ምዃኑ ዝሕብር ምልክት የብልናን\" ክብል ወሲኹ ገሊጹ። ይዅን እምበር፡ \"ሩስያ ተሓታቲት ምዃና ዘጠራጥር ኣይኰነን፤ ምኽንያቱ ሩስያ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብዚ ኲናት ብዙሕ ግዜ ዝገበረቶ፡ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ከተማታት ዩክረይን ዕስለ መጥቃዕቲ ሚሳይል እንተዘይትፍጽም ነይራ እዚ ኣይምተፈጸመን\" ይብል። ፕረዚደንት ፖላንድ ኣንድሬ ዱዳ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዋላ’ኳ እቲ ሚሳይል ኣብ ሩስያ ዝተሰርሐ ኤስ-300 ክኸውን ዝያዳ ተኽእሎ እንተሃለዎ፡ ብወገን ሩስያ ከምዝተተኮሰ ግን መርትዖ ከምዘየለ ገሊጹ ነይሩ። ሚስተር ስቶልተንበርግ ብዛዕባ ተኽእሎ ልዝብ ሰላም ኣብ መንጐ ሞስኮን ኪቭን ምስ ተሓተተ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተገብረ ፈተነታት፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን \"ንኽዋገይን ክዛተን ድልውነት ከምዘይብሉ\" ከምዘመልከተ ገሊጹ። \"ክንርድኦ ዘለና፡ ፑቲንን ሩስያን ውግእ እንተ ኣቋሪጾም ሰላም ክንረክብ ኢና፤ ዘለንስኪን ዩክረይንን ውግእ እንተ ኣቋሪጾም ግን ሽዑ ዩክረይን ከም ናጻ ልኡላዊት ሃገር ህላወኣ ከተቋርጽ እያ\" ኢሉ። እቲ ላዕለዋይ ጀነራል ኣሜሪካ እውን ትማሊ ረቡዕ ብዛዕባ እቲ ኲናት ርእይቶ ሂቡ ነይሩ፡ \"ብፖለቲካዊ መዳይ ሩስያውያን ዝስሕቡሉ ፖለቲካዊ ፍታሕ\" ካብ ዩክረይን ክህሉ ይኽእል እዩ ኢሉ። ኣቦ መንበር ሓባራዊ ሓለፍቲ ስታፍ ሰራዊት ጀነራል ማርክ ሚሊ ግን፡ ዩክረይን፡ ዋላ'ኳ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዓውደ ውግእ ዓወት እንተረኸበት፡ ብኣጋኡ ወተሃደራዊ ዓወት ክትረክብ ተኽእሎ ከምዘየለ ኣጠንቂቑ። ኣብ ፔንታጐን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ \"ብወተሃደራዊ መዳይ፡ ተኽእሎ ወተሃደራዊ ዓወት ዩክረይን - ንሩስያውያን ካብ መላእ ዩክረይን ኣውጽኢካ ንክረሚያ ንምሕዋስ - ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ምፍጻም ተኽእሎኡ ትሑት እዩ\" ኢሉ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c25xn4plz75o"} {"headline":"ጀርመን፡ ናብ ሕሉፍነትን ሓደጋን ዝማዕበለ ናይ 'ጽሉላት' ምንቅስቓስ","content":"እቲ 'ራይክስበርገር' (ዜጋታት ራይክ) ብዝብል ዝጽዋዕ ጉጅለ፡ ከም ዘየድምዕ ተቖጺሩ ምንጪ ሃገራዊ ላግጺ ብምዃን ንዓመታት ተነጺጉ ጸኒሑ’ዩ። ብዓይኒ ትካላት ጸጥታ እታ ሃገር ግን፡ ዝያዳ ሕሉፋትን ሓደገኛታትን እናኾኑ ምምጽኦም ስክፍታታቶም ዛይዱ'ሎ። ኣባላት ናይቲ ጉጅለ፡ ነቲ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንዘሎ መንግስቲ ጀርመን ኣፍልጦ ኣይህቡን። ንስልጣን እቲ መንግስቲ ድማ ይነጽጉ። ዋላ’ኳ መጸውዒ ስም እንተሃለዎ፡ እቲ ጉጅለ ግን ዝተወደበ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኣይኮነን። ናይቶም ኣብ ትሕቲ እቲ ሓባራዊ እምነት ዝተጠርነፉ ኣብ መላእ እታ ሃገር ፋሕ ኢሎም ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ንኣሽቱ ጉጅለታትን ውልቀሰባትን ምትእኽኻብ ጥራይ እዩ። ገለ ካብዚኦም ድማ ናይ ገዛእ ርእሶም ባጤራን መንነት ወረቐትን ብምሕታም ናይ ገዛእ ርእሶም ርእሰ-ምምሕዳር መንግስቲ ክፈጥሩ ዝሓልሙ እዮም። ንኣብነት ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ንነብሱ ‘ኮኒግራይክ ዶሽላንድ (ንግስነት ጀርመን) ኢሉ ዝጽውዕ ጉጅለ፡ ኣብ ሳክሶኒ ክልተ መሬት ዓዲጉ፡ ኣብኡ ናይ ገዛእ ርእሱ ምምሕዳር መንግስቲ ክምስርት ሓሲቡ ነይሩ። ካልኦት ድማ ግብሪ ምኽፋል ይኣብዩ ወይ ድማ ኮነ ኢሎም መብዛሕትኡ ግዜ ጸርፊ ዝመልኦም ነዋሕቲ ደብዳቤታት ብምልኣኽ ኣብ ስራሕ እቲ ምምሕዳር ናይቲ ከባቢ ጸገም ይፈጥሩ። ብዙሓት ድማ ብሕጋዊ ይኹን ብኻልእ መንገዲ ብረት ዝውንኑ እዮም። ካብ 2016 ጀሚሩ፡ መኮንናት ነቲ ዝዓቖሮ ኣጽዋር ኣብ ዝፍትሽሉ ዝነበሩ እዋን፡ ሓደ ኣባል ራይክስበርገር ንሓደ ፖሊስ ብጥይት ድሕሪ ምቕታሉ፡ ሰበስልጣን ጀርመን፡ ልዕሊ ሽሕ ፍቓድ ጠበንጃ ናይቶም ነቲ ስነ-ሓሳብ ዝድግፉ እዮም ዝበልዎም ሰባት ሰሪዞምዎ። ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ግን ኣስታት 500 ኣባላት ሕጋዊ ፍቓድ ጠበንጃ ነይርዎም። ኣሃዛት መንግስቲ ከም ዘመልክትዎ፡ ርእሰ-ኣመሓደርቲ ዝብል ትርጉም ብዘለዎ ‘ሰልብቫልተ’ ዝብል ቃል’ውን ዝጽዋዕ ራይክስበርገርን፡ ኣብ 2021 ልዕሊ 1000 ኣኽረርቲ ገበናዊ ተግባራት ፈጺሙ እዩ። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2020 ዝነበረ ቁጽሪ ብዕጽፊ ይዛይድ። ካብቶም ኣብ \"ክፍሊ\" ራይክስበርገር ዝርከቡ 21 ሽሕ ሰባት፡ ኣስታት 5 ሚእታዊት የማናውያን ኣኽረርቲ ክኾኑ እንከለዉ፡ 10 ሚእታዊት ድማ ጎነጻውያን ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይእመን። ምስ ሰራዊት ጀርመን እውን ርክብ ኣለዎም ይብል ሚሮ ዲትሪች ዝተባህለ ነቲ ጉጅለ ከምኡ እውን ካልኦት ናይ ውዲት ክልሰ-ሓሳባት ዝከታተል ክኢላ። ንሱ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ እቲ ጉጅለ ዝያዳ ኣኽራሪ ንክኸውንን ዝያዳ ደገፍ ንኽረክብን ከምዝሓገዘ ይኣምን። \"እቲ ለበዳ ንብዙሓት ሰባት ከቢድ ህሞት'ዩ ነይሩ። ነገራት ከመይ ከምዝምዕብሉ ንጹር ኣይነበረን… ውዲታዊ ትረኻታት ንዓለም መምርሒ ስለዝሃበ ንብዙሓት ሰባት ኣዝዩ ሰሓቢ እዩ ነይሩ\" ይብል። ኣባላት ራይክስበርገር ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ ጎደናታት ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞታት ጎኒ ጎኒ ጸረ-ክታበትን ኮቪድ የለን ዝብሉ ሰባትን ከምኡ’ውን ደገፍቲ ኪውኣናን (QAnon) ሰልፊ ኣካይዶም። ኣብ ነሓሰ 2020 ካብ ናይ ኮቪድ ሰልፊ ዝመጹ ዕስለ ንቡንደስታግ (ባይቶ ጀርመን) ክወርሩ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ኣብኡ ተሳቲፎም እዮም። ብዙሓት፡ ብሓፈሻ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባት ኣብ ሕብረተሰብ ጀርመን ክሳብ ክንደይ ሰፊኑ ከምዘሎ - ብፍላይ ኣብ እዋን ለበዳ - ተገሪሞም እዮም። ብዙሓት ሰባት፡ ክታበት ኮቪድ ስሚ ከምዝኾነ ይዛረቡ ወይ ድማ መንግስቲ ጀርመን ነቶም \"ተወለድቲ\" ህዝቢ እታ ሃገር ብወጻእተኛታት \"ክትክእ\" መደብ ኣለዎ ዝብል ልሙድ ወረታት የድምጹ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣንጻር ልዑል መጠን ክፍሊት ጸዓት ኣብ ዝተኻየደ ንእሽቶ ተቓውሞ፡ ሓደ ሰብኣይ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢን ቁጠባን ጀርመን ኣብ ልዕሊ ሃገሮም ኲናት ንምእዋጅ ይሸባሸቡ ኣለዉ ዝብል ርእይቶ ገሊጹ። ንሰበስልጣን ዘሻቕሎም ነገር እንተሃልዩ፡ እዚ ክሳብ ክንደይ ናብ ዓመጽ ክዓቢ ከም ዝኽእል እዩ። ብርግጽ ኩሉ ክልሰ-ሓሳባዊ ውዲተኛ ኣካላዊ ሓደጋ ዘስዕብ ኣይኮነን። ኣብታ ሃገር ዘለዉ ብዙሓት ፖለቲከኛታት ግን ናይ ሞት ምፍርራሕ በጺሕዎም እዩ። ካልኦት ብዙሓት ድማ ዝርግሐ ግጉይ ሓበሬታ ብኸመይ ከምዝዓግቱ ተጨኒቖም ይርከቡ። ስለዚ እቶም ኣብዚ እዋን ዝተኻየዱ ወፍሪታትን ማእሰርትንምንጪ ዓቢ ሃገራዊ ስክፍታ ክኾኑ እዮም።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/clwgx174pvno"} {"headline":"ኣብ ኢጣልያ ዘንጸላለወ ስግኣት ስደተኛታት","content":"ጆርጅያ ሜሎኒ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ብምዃን ታሪኽ ክትሰርሕ ቀሪባ ኣላ። ንሳ፡ እቲ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብታ ሃገር ዝዓበየ የማናዊ መንግስቲ ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ መንግስቲ ክትመርሕ እያ። እቲ ብራዘርስ ኦቭ ኢታሊ ብዝብል ዝፍለጥ የማናዊ ሰልፋ ኣካል ናይቲ 'ምንካይ ስደት' ቀንዲ ኣጀንዳኡ ዝገበረ ልፍንቲ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ፓሌርሞ ንዝርከቡ ከም በዓል ሙስጦፋ ጃርጆ ዝኣመሰሉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዓቢይ ስግኣት እዩ። \"ኣብ ህይወት ከማይ ዝኣመሰሉ ስደተኛታት ብዙሕ ኣሉታዊ ጽልዋ ከስዕብ እዩ፣ ሓያል ስክፍታ ኣለኒ\" ይብል እቲ 24 ዝዕድመኡ መንእሰይ ሙስጦፋ። ኣብ ፓሌርሞ ወሃቢ ቃል ማሕበር ማሕበረሰብ ጋምብያ ዝዀነ ሙስጦፋ፡ ፖሊሲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት፡ ምፍልላይን ጽልእን ከስዕብ ይኽእል እዩ ይብል። ኣብ ነሓሰ ኣብታ ሃገር ብቐትሩ ኣብ ልዕሊ'ቲ ጐደሎ ኣካል ናይጀርያዊ ኣሊካ ኦጎርቹኩ ዝተፈጸመ ቅትለት ከም ኣብነት ይጠቅስ። ኢጣልያ ሓንቲ ካብተን ስደተኛታት ዝጥቀሙለን ቀንዲ መእተዊ ኣውሮጳ ኰይና፡ ካብ መጀመርታ እዚ ዓመት ኣትሒዙ 70 ሽሕ ስደተኛታት ብጀላቡ ናብ ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ኣትዮም እዮም። ድልየት ጆርጅያ ሜሎኒ፡ ነዚ ንውሕስነትን ጽሬትን ህይወት ዜጋታታ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ፡ እትብሎ ስርዓት ሓተትቲ ዑቕባ ብምድራት ዘይስሩዕ ስደት ክቋረጽ እዩ። ብተወሳኺ ስደተኛታት ናብ መበቈል ሃገሮም ምምላስ ክውስኽ እያ ትደሊ። ኣብ እዋን ምስጋር ባሕሪ ኣብ ጸገም ንዝኣትዉ ስደተኛታት ዘድሕና መራኽብ ግብረ ሰናይ ዒላማ ክትገብር እያ፣ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ድማ ዓጋቲ ሓይሊ ባሕሪ ክቕመጥ'ውን ጸዊዓ ኣላ። ሙስጦፋ ጃርጆ ናብ ኢጣልያ ዝገበሮ ጕዕዞ ከምቶም ብዙሓት ካልኦት ዘጋጥሞም ንምእማኑ ዘጸግም ሓደገኛ እዩ ነይሩ። ዝሓሸ ህይወት ንምድላይ ኣብ ታሕሳስ 2016 ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከብ ገዛኡ ወጺኡ ወዲ 17 ዓመት ኰይኑ ኢጣልያ በጺሑ። ኣብኡ ምብጽሑ ተኣምር እዩ። ካብ ጋምብያ ነቒሉ ናብ ሊብያ ምስ በጽሐ ዘባህርር ሕልሙ ይጅምር። ኣብ ሊብያ ሰለስተ ግዜ ተታሒዙ ተኣሲሩ፣ ሰለስቲኡ ግዜ ክሃድም ክኢሉ እዩ። ብጃልባ ኣብ ዝሰግረሉ እዋን ካብ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ተሪፉ ኣብ ሲሲሊ ምስ በጽሐ ድማ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዘስካሕክሕ ኵነታት ብኣዝዩ ትሑት ደሞዝ ሰራሕተኛ ሕርሻ ኰይኑ ። ዑቕባ ሓቲቱ ወግዓዊ ሰነዳት ምስ ተዋህቦ ግን ዕድሉ ተቐየሩ። እዚ ድማ ትምህርቱ ንምቕጻል ናብ ፓሌርሞ ክኸይድ ኣኽኢልዎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ብነርሲን ዲግሪ፡ ካልኣይ ዓመት ተመሃራይ ክኸውን ከሎ ምስተመረቐ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ክሰርሕ ተስፋ ኣለዎ። ጆርጅያ ሜሎኒ መብጽዓኣ እንተፈጺማ ግን ስደተኛታት ኵነታት ስደቶም ወግዓዊ ንምግባር ዝያዳ ክኸብዶም እዩ። \"ሰነዳት ኣብ ምውህሃድ ኣገደስቲ እዮም\" ይብል ሙስጦፋ። ብዘይ ሰነድ ብዙሓት ስደተኛታት \"ዘይርኣዩ\" ኰይኖም ዝጸልመተ ህላወ ክነብሩ ከምዝግደዱ ወሲኹ ይገልጽ። ብፍላይ ንስደተኛታት ዝሕግዛ፡ ህይወት ኣድሕን መራኽብ ግብረሰናይ ከም ገበን እንተተቘጺረን፡ ስደተኛታት ባሕሪ ንምስጋር ክኸብዶም እዩ ዝብል ስግኣታት ኣሻቒልዎ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝያዳ ሞት ከስዕብ እዩ ይብል። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ግን ሓያል መሓዛ እቶም ስደተኛታት እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ውዕዉዕ ስምዒት ድጋፉ ገሊጹ ነይሩ። እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኢጣልያ'ኳ ብስም እንተዘይጠቐሰ፡ መደረኡ ግን እቲ ንስልጣን ዝመጽእ ዘሎ ልፍንቲ ዝኽተሎም ፖሊሲታት ከም ተግሳጽ ክረአ ይኽእል እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፡ ምግላል ስደተኛታት \"ዘሕፍር፡ ፍንፉንን ሓጢኣትን\" እዩ ኢሉ። ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ኣብ ማያታ ዝጠፍኡ ኣሽሓት ስደተኛታት ብምጥቃስ ንማእከላይ ባሕሪ \"ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ መካነ መቓብር\" ኢሉ ሰይምዎ። ወሲኹ’ውን፡ \"ንዝተጸገሙ ሰባት ማዕጾ ዘይምኽፋት ገበን'ዩ\" ኢሉ። ጃርጆ ስግኣት እኳ እንተሃለዎ፡ ከተማ ፓሌርሞ ግን ተቐባሊት ስደተኛታት ብምዃን ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ዝና ኣለዋ። እዛ ኣብ ወሰን ኣውሮጳ እትርከብ ከተማ፡ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ምትሕውዋስ ባህሊ ዝረኣየላ ኰይና ሓደ ካብቶም ቅዱሳን ሓለውታ ዝዀነ ቅዱስ በነዲክት ዘ ሙር ኣብ ታሪኽ እቲ ናይ መጀመርታ ጸሊም ቅዱስ እዩ። ሓላፊ ናይቲ ኣብታ ከተማ ን16 ማሕበረሰባዊ ጕጅለታት ማሕበር ኣርሲ ፓሌርሞ ፋውስቶ ሜሉሶ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ሲሲሊን ደቡባዊ ኢጣልያ ድምጾም ንጆርጂያ ሜሎኒ ከምዘይሃቡ ይሕብር። ክሳብ ቀረባ እዋን ነጻ ጸጋማዊ ፖለቲከኛ ዝነበረ ፋውስቶ ሜሉሶ፡ ንሱ’ውን ሜሎኒ ክትክተሎ እትኽእል ጸረ-ስደተኛታት መርገጺታት ከም ዘሻቕሎ ይኣምን። ኣብታ ከተማ ዝነብር ወዲ 23 ዓመት ስደተኛ ወዲ ጊኒ፡ ህይወት ዝያዳ ኣጸጋሚ ከይኮነት እንከላ ካብታ ከተማ ብዛዕባ ምውጻእ ይጭነቕ ኣሎ። ወዲ 17 ዓመት ከሎ ኣትሒዙ ኣብ ፓሌርሞ ዝነብር ዝነበረ እዚ መንእሰይ፡ ሰነዳቱ ንምውጋን ከምዝተቓለሰ፡ ስርዓተ ዑቕባ ኢጣልያ ድሮ ንስደተኛታት ከምዘጸግሞምን መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ተደናጊሮም ክተርፉ ከምዝገብርን ይኣምን። ንሱ ጽቡቕ ጽቡቕ ምልከት ቋንቋ ጣልያን ኣለዎ፣ ኣብ ማሕበረሰባዊ ጕጅለታት ወለንተኛታት ይሰርሕ፡ ይመሃርን ከምኡ’ውን ከም ኣሳሳዪ እናሰርሐ ብቐጻሊ ምስ ናብራኡ ዝቃለስ መንእሰይ እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ሰነዳቱ ከሐድስ ኣለዎ፣ እዚ ድማ ብዙሕ ግዜ ዝወስድን ንስደተኛታት ከቢድ መስርሕን እዩ። ሕጂ ስራሑ ገዲፉ ናብ ፈረንሳ ክግዕዝ ቀሪቡ ኣሎ። ኣብኡ ኣዝማድ ስለዘለውዎ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ክመሃር ድልየት ኣለዎ። \"ሽዱሽተ ዓመት ኣብዚ ድሕሪ ምንባር፡ ንዓይ ዝተቐየረ ነገር የለን። ትማሊ ዝመጻእኩ ኰይኑ’ዩ ዝስምዓኒ።\"","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c1evk3zee49o"} {"headline":"ዋንጫ ዓለም፡ ብራዚል ብክሮኦሽያ ተሳዒራ ካብ ውድድር ተገሊፋ","content":"ሎሚ ኣብ መንጎ ብራዚልን ክሮኦሽያን ዝተኻየደ ቀዳማይ ግጥም ርብዒ-ፍጻመ ብዓወት ክሮኦሽያ ተዛዚሙ'ሎ። ኣብቲ ብፍጹም ቅላዕ ዝተወድአ ጸወታ ክሮኦሽያ 4 ብ 2 ንብራዚል ብምስዓር ናብ ፍርቂ-ፍጻመ ሓሊፋ'ላ። ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ዝነበረን ምዱብ ግዜ ብዘይሸቶ ማዕረ ብምውጽአን፡ ናብ ተወሳኺ 30 ደቒቕ ኣምሪሐን። ኣጥቃዓይ ብራዚል ነይማር ኣብ መወዳእታ ቀዳማይ ክፋል ተወሳኺ ግዜ ብዘመዝገባ ሸቶ'ያ ብራዚል ክትመርሕ ጀሚራ። ነይማር ንሃገሩ ብዘመዝገበን 77 ሸቶታት ንክበረወሰን ወዲ ሃገሩ ኮኾብ ኲዕሶ እግሪ ዓለም ፔለ ተዳሪጉዎ'ሎ። ፔለ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ሆስፒታል ምእታዉ ሻቕሎት ፈጢሩ ቀንዩ'ዩ። ክበኽዩን ክነብዑን ዝተራእዩ ደገፍቲ ብራዚል ግን ብናይ ነይማር ክብረወሰን ቀልጢፎም ዝጸናንዑ ኣይመስሉን'ዮም። ኣብተን ዝተረፋ 15 ደቓይቕ ድማ ክሮኦሽያ ሓንቲ ሸቶ ብምምዝጋባ፡ ሓደ ብሓደ ጸወታ ወዲአን፡ ናብ ፍጹም ቅላዕ ኣምሪሐን። እንተኾነ ግን፡ ብራዚል ክልተ ብምስሓታ በታ ካብተን ዝተዋህብኣ 5 ፍጹም ቅላዓት ነተን 4 ብዘመዝገበት ክሮኦሽያ ተሳዒራ ወጺኣ'ላ። ኣብዚ ግጥም'ዚ ተጻወቲ ክሮኦሽያ ኣንጻር እታ ዓርሞሸሽ ጋንታ ብራዚል ዘርኣይዎ ሓቦን ኒሕን ኣዝዩ ዝንኣድ'ዩ። ክሮኦሽያ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2018 ናብ ፍጻመ ድሕሪ ምሕላፋ ብፈረንሳ ከምዝተሳዕረት ይዝከር። ሽዑ ንዘጋጠማ ስዕረት ሕኒኣ ንምፍዳይ ግን ዓቢ ዕድል ከፊታ'ላ። ምውጻእ ናይታ ዋንጫ ክትወስድ ዓቢ ትጽቢት ዝግበረላ ብራዚል፡ ንደገፍታ መዓንጥኦም ዘሕርር ክኸውን እንከሎ፡ ንዝተረፋ ዓቢ ዕድል ዝፈጥር ክኸውን'ዩ። እታ ዝበዝሐ ዋንጫ ዓለም ዝዓተረት ብራዚል፡ ኣብ 2002 ንመወዳእታ ግዜ ምዕዋታ ይዝከር። ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣብ ዝካየድ ካልእ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ድማ ኣብ መንጎ ኣርጀንቲናን ነዘርላንድስን (ሆላንድ) ክኸውን'ዩ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv270nv1d32o"} {"headline":"ኣብ ሕርሻታት ኢጣልያ \"ደም ዝርህፁ\" ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት","content":"ኣብ ደሴት ሲሲሊ ኢጣልያ እትርከብ ከተማ ካምፖቤሎ ዲ ማዛራ፡ ብሓምለዋይ ግራውቲ ዝተሸፈነ መስርዕ ኣግራብ ኣውሊዕ ኣለዋ። ናይ ሕርሻ መካይን ብስቡሕ ቀጠልያ ኣውሊዕ ዝተመልአ ሳጹናት ተሰኪመን ክሓልፋ ምርኣይ ልሙድ እዩ። ካብዚ ጽቡቕ ትርኢት ወጻኢ ግን ኣዝዩ ዝጸልመተ ነገር ኣሎ - ረሳሕ ግዝያዊ መዓስከር። \"ጌቶ\" ተባሂሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣማኢት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ሕርሻ ዝነብሩሉ እዩ። እዞም ኣፍሪቃውያን መብዛሕትኦም ካብ ጋምብያ፣ ሰኔጋልን ቱኒዝያን ዝመጹ እዮም። ከምዚኦም ዝበሉ ብቐንዱ ኣፍሪቃውያን ሰራሕተኛታት ሕርሻ ዝነብሩሎም \"ጌቶ\" ከም ፑግልያ ኣብ ዝኣመሰሉ ካልእ ክፋላት ኢጣልያ እውን ኣለዉ። ሕቡራት ሃገራት ካብ 450 ሽሕ ክሳብ 500 ሽሕ ዘይስሩዕ ስደተኛታት ኣብ መዳይ ሕርሻ እታ ሃገር ይሰርሑ ከምዘለዉ ይግምት። እዚ ቁጽሪ ድማ ኣስታት ፍርቂ ካብ ጠቕላላ ሓይሊ ስራሕ እቲ መዳይ'ዩ። \"ካምፖቤሎ\" ብቋንቋ ኢጣልያ ጽቡቕ ገጠር ማለት እዩ፤ ግን ኣብዚ ብዘይካ ርስሓትን ካብ ዝተደርበየ ዕንጨይቲ ዝተሰርሑ ማዕጾታት፣ ፕላስቲክን ብረትን ዘለዎም ሓደ ክፍሊ ዳሳትን ካልእ የለን። ነበርቲ ኣብ ልዕሊ ዘይፈልጥዎም ሰባት እምነት ዘይብሎም ኮይኖም፡ ክንበጽሕ ከለና ክዛረቡ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ውሑዳት እዮም። ሓደ ሰኔጋላዊ ሰብኣይ ምሳሕ ከዳሉ ኣብ ረሳሕ ማይ ዝመልአ ዓቢ ድስቲ ብጥራዩ ኣእዳዉ ገለ ስጋ ይሓጽብ ነይሩ። ካልእ ሰብኣይ በጊዕ ይሓርድ፡ ሳልሳይ ሰብኣይ ድማ ካብ ፕላስቲክ ጥርሙዝ ማይ ጸባ ገንሸል ይምግብ። ኣብ ድሕሪት ናይቲ መዓስከር ብእኩብ ጎሓፍ ዝተመልአ ዓቢ ክፉት ቦታን 1 ዶላር ዝኽፈሎ ግዝያዊ ባኞን ብ1 ዶላር ድማ ማይ ዝመልአ ሸንኬሎ ኣሎ። እቲ ህንጻ ቦጃ ብዝተባህለ ጋምብያዊ ስደተኛ ዝተሃንጸ ኮይኑ፡ ኣብ መጀመርታ ኣብ ግራውቲ ኣውሊዕ ክሰርሕ ዝመጸ እዩ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ግን ዘለዎ ክእለት ጽረበት ተጠቒሙ ሃናጺ መዓስከር ኮይኑ ኣሎ። ነቶም ሰራሕተኛታት ብወርሒ 100 ዶላር ዝካረያ ዳሳት ይተኽለሎም። እቶም ነበርቲ ግን ኣብ ጽልምትምት ዝበለ ኩነታት እዮም ዝነብሩ፤ ማይ ቡምባ፡ መእለዪ ረሳሕ ፈሳሲ ኮነ ቀረብ ኤለክትሪክን የለን። መግቢ ንምብሳልን ነቲ ናይ ለይቲ ቁሪ ንምክልኻልን ሓዊ ይነድድ ይብል ቦጃ። ሕጂ'ውን በብዓመቱ ካብ መስከረም ክሳብ ሕዳር ኣውሊዕ ንምእካብ፡ ወግዓዊ ወረቐት ዘይብሎም ክሳብ ልዕሊ 1000 ስደተኛታት ኣብዚ ጸሊም ዕዳጋ ክሰርሑ ይመጽኡ። ኣብዚ ዘለዉ ሓረስቶት ነቲ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዝበለጸ 'ኣውሊዕ መኣዲ' ተባሂሉ ዝግለጽ 'ኖሴላራ ደል ቤሊስ' የፍርዩ። ኣብ መላእ ዓለም ናብ ዝርከባ ክቡራት ቤት ብልዒን ሱፐርማርኬታትን ንምስዳድ ብኢዶም ዝኣርዩ ብዙሓት ሰባት ክቖጽሩ ኣለዎም። እቲ ስርዓት ምሕደራ ሰራሕተኛታት (ጋንግማስተር) \"ካፖራላቶ\" ብዝብል ይፍለጥ። እቶም ስደተኛታት ብቐጥታ ንሓረስቶት ኣይሰርሑን። ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ኩነታቶም ድማ ንምእማኑ ብዘጸግም ኣዝዩ ዝተሓተ መሃያ እዮም ዝሰርሑ፤ ንሰዓት 2 ዶላር ጥራይ ይክፈሎም። ቦጃ፡ እቲ ጌቶ ሓደገኛ ቦታ ክኸውን ከምዝኽእል ይዛረብ። ንግዲ ዕጸፋርስን ሰራሕተኛታት ጾታዊ ርክብን ዝጠቀሱ መርትዖታት እዮም። ፖሊስ ከይተረፉ ናብቲ መዓስከር ኣይወፍሩን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብኸፊል ክቓጸል እንከሎ ዑመር ባልደህ ዝተባህለ መንእሰይ ስደተኛ ከምዝሞተን ካልኦት ኣማኢት ሰባት ድማ ገዛ ኣልቦ ከምዝኾኑን ቦጃ ይዛረብ። ግን እታ ኣብ ጥቓኣ እትርከብ ከተማ ካምፖቤሎ ዲ ማዛራ ነበርቲ የብላን። ሲሲሊ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ናይ ስደት ቦታ እያ፤ ህዝባ ኣብ ሰሜናዊ ኢጣልያን ካልእ ክፋል ኣውሮጳን ስራሕ ክእልሹ ገዲፎምዋ ይኸዱ። ለይቲ ቱኒዝያውያንን ሰኔጋላውያንን ስደተኛታት ኣብ ደገ ኮፍ ኢሎም ሽጋራ ዘትክኹለንን ቡን ዝሰትዩለንን ናይ ፒዛ ቦታታትን ካፈታትን ኣብታ ከተማ ኣለዋ። \"ሰባት ኣብቲ ጌቶ ብህይወት ንኽጸንሑ ዝኾነ ይኹን ይገብሩ\" ይብል ቦጃ። ንሱ ብዛዕባ እቲ ብሰንኪ እቲ ባርዕ ዝወረደ ክሳራ ንምዝራብ ኣዝዩ ይጽገም። ንመጀመርታ ዓመት ዝኽሪ እቲ ባርዕ ሓዊ ንምዝካር፡ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ኢጣልያውያን ደለይቲ ፍትሒ ኮይኖም ኣብ ካምፖቤሎ ዲ ማዛራ ሰልፊ ብምክያድ ንነበርቲ እቲ መዓስከር ዝሓሸ ኩነታት ክህሉ ጸዊዖም ነይሮም። ሓደ ካብቶም ኣብቲ ተቓውሞ ዝተሳተፉ ዒሳ [ምሉእ ስሙ ክገልጽ ኣይደለየን] ዝተባህለ ጋምብያዊ ስደተኛ ኮይኑ፡ ኣብ ፑግልያ ይነብር። ኣብቲ ልዕሊ 1500 ስደተኛታት ዝነብሩሉ ዓቢ ፎጅያ ጌቶ ክልተ ዓመት ጸኒሑ'ሎ። ብተወሳኺ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብ'ጋንግማስተራት' ኣብ ልዕሊ ዓቐን ዋዒ ዘለዎ ከባቢ ንነዊሕ ሰዓታት ክሰርሑ ከምዝግደዱ ብምግላፅ የማርሩ። ኣብ ሰነ 2021፡ ካማራ ፋንታማዲ ዝተባህለት ጓል 27 ዓመት ማሊያዊት ሰራሕተኛ ሕርሻ፡ ኣብ ፑግልያ ኣብ ብርቱዕ ጸሓይ ኮሚደረ ድሕሪ ምልቃማ ሞይታ እያ። \"ክሳብ ክንደይ ውዑይ ይኹን፡ ኣፍሪቃውያን ኣብ ሕርሻታት ፑግልያ ክሰርሑ ትዕዘብ ኢኻ\" ይብል ኢሳ። ኣብተን ስደተኛታት ናብ ግራት ክኣትዉ ዘይመርጹሉ ሙቐት ብቀሊሉ 40 ዲግሪ ሰልሲየስ ዝበጽሓለን መዓልቲታት'ውን እንተኾነ፡ እቲ ሓላፊ ጋንግማስተር፡ \"ኢሳ ኣበይ ኣለኻ፡ ንምንታይ ናብ ስራሕ ዘይትመጽእ\" ክብል ደዊሉ ዕረፍቲ ኣይህብን ይብል። ወሲኹ ድማ \"ክሳብ ክንደይ ውዑይ ይኹን ብዘየገድስ ክትበራበርን ናብ ስራሕ ክትከይድን ኣለካ\" ክብል ይገልጽ። እዚ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ነቲ ጣልያን ዘጋጥማ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ክሊማ ብኸመይ ይሽከምዎ ከምዘለዉ ዘንጸባርቕ እዩ። ሲሲሊ ማእከል ማዕበል ዋዒ ኣውሮጳ ኮይና፡ ኣብ 2021 ኣብታ ኣህጉር ክሳብ ሕጂ እቲ ዝለዓለ ሙቐት 48 ዲግሪ ሲልሲየስ ኮይኑ ተመዝጊቡ እዩ። ኣብ ርእሰ ከተማ ሲሲሊ ፓሌርሞ ዝርከብ ወዲ 24 ዓመት ወሃቢ ቃል ማሕበር ማሕበረሰብ ጋምብያ ሙስጣፋ ጃርጆው፡ ብዙሓት ካብቶም ነቲ ሓደገኛ መሳገሪ ማእከላይ ባሕሪ ዝሰግሩ ሰባት፡ ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ኣብ ኣፍሪቃ ዝተፈጥረ ሕጽረት ስራሕ ሃዲሞም ዝመጹ ምዃኖም ከምዘግርመሉ ይዛረብ። ቅድሚ ለበዳ ኮቪድ፡ ሓደ ክኢላ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ እቲ \"ብዝተራቐቐ ስርዓተ መግቢ ጣልያን\" ዝፍጸም ምዝመዛ ሰራሕተኛታት ሕርሻ ተዛሪቡ ነይሩ። ንሱ፡ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ብኸመይ \"ተደናጊሮም ከምዝተረፉ\" ኮኒኑ። ሰብመዚ ጣልያን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንጉጅለ ዕሱባት ንምግታእ ፈተነታት ከምዝተገብረ ይገልጹ። እቲ ስርዓት ኣብ 2011 ዘይሕጋዊ ከምዝኾነ ዕላዊ ዝተገበረ ኮይኑ፡ ኣብ 2016 ድማ ንሓረስቶት ሓደ ዕሱብ ምጥቃም ገበን ምዃኑ ብወግዒ ተሓቢርዎም። እዚ ግን፡ ሕጋዊ ሰነድ ንዘይብሎም ስደተኛታት ዝሰርሕ ኣይመስልን። ኣብ እዋን ለበዳ፡ መንግስቲ ብርግጽ ንኣሽሓት ዘይስሩዓት ስደተኛታት ፍቓድ ስራሕ ሂቡ፡ ሓረስቶት ንሕጽረት ጉልበት ንኽጻወሩ ይሕግዞም ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓድሽ ጫፍ የማናዊ መንግስቲ ስልጣን ምስ ሓዘ ግን፡ ንዘይሕጋዊ ስደተኛታት ዕቑባ ምሃብ ከይተርፍ ስክፍታታት ኣሎ። ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየን ኣብ መላእ ቱስካኒ ንነዊሕ ዓመታት ዝሰርሐን ሰነዳት ዘይብሉ ሰኔጋላዊ ሰራሕተኛ ሕርሻ፡ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 60 ዶላር ክረክብ ከም ዝኽእል ምስ ሰምዐ ኣብዚ ዓመት ናብ ሲሲሊ መጺኡ። ሕጽረት ጉልበትን ጽልዋ ኮቪድን ንእሽተይ ወሰኽ ደሞዝ ኣስዒቡ እዩ። ንሓደ ዝለቐሞ ሳንዱቕ ምሉእ ኣውሊዕ 5 ዶላር ክረክብ ትጽቢት ይገብር። ኣብ መዓልቲ ድማ እንተወሓደ 10 ሳንዱቕ ክመልእ ዕላማ ኣለዎ። እቲ ስራሕ ከቢድ፡ ሓያል ዋዒ ዘለዎን ይቕረ ዘይብልን ኮይኑ፡ ንኸምኡ ዝኣመሰሉ ስደተኛታት ግን እቲ እንኮ ስራሕ ምዃኑ ይዛረብ። ንሱ፡ ኢጣልያውያን ስደተኛታት ነታ ምግቢ እትፈቱ ሃገር ክሳብ ክንደይ ኣገደስቲ ምዃኖም ከምዘይተገንዘቡ ይስምዖ፡ \"ብዘይ ብኣና ክነብሩ ኣይክእሉን እዮም - መግቦም ነብቁለሎም ንሕና ኢና።\"","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/czqd6lpzyjeo"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ኣየርላንድ 'ኣንጻር ልኡላውነተይ ተንቀሳቒሳ' ክትብል ከሲሳ","content":"ኢትዮጵያ፡ ምስ’ቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኲናት ትግራይ ብዝተኣሳሰር፡ ኣየርላንድ ንልኡላውነታ ዝጻባእ ተግባራት ትፍጽም ከምዘላ ዝገልጽ፡ ናይ መጠንቀቕታ ደብዳበ ናብ መንግስቲ እታ ሃገር ጽሒፋ ኣላ። ብመሰረት ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር፡ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ደመቀ መኮነን ንኣየርላንዳዊ መዘንኡ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ \"ትጽቢት ዘይተገበረሉ መጥቃዕቲ ፈጺማ\" ክብል ከሲሱ። ምስ’ቲ ኲናት ብዝተኣሳሰር፡ ኣየርላንድ \"ኣብ ባይቶ ጸጥታ ዘለዋ መንበር ተጠቒማ ንህወሓት ብምድጋፍ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ክፍጠር ትሰርሕ ኣላ\" ክብል እቲ ደብዳበ ወሲኹ ይኸስስ። እታ ኣውሮጳዊት ሃገር፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት  ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ክዘራረበሉ ብተደጋጋሚ ካብ ዝሓተቱ ሃገራት ኣብ ቅድሚት ትስራዕ። ኢትዮጵያ፡ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብዛዕባኣ ክተማርር ከም ዝጸንሐት ዝገለጸ፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ሬድዋን ሑሴን፡ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ ሓሳብ፡ \"ኣብዚ ሰሙን'ዚ ንመንግስቲ ኣየርላንድ ወግዓዊ መጠንቀቕታ ጽሒፋ\" ኢሉ። ሰማዒ ከምዘይረኸቡ'ውን ገሊጹ። እቲ ደብዳበ፡ ናብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ምክልኻልን ኣየርላንድ ሳይሞን ኮቪኒን እዩ ተላኢኹ። እቲ ሕዚ ዝተጽሓፈ ደብዳበ፡ ኣየርላንድ \"ኣብ ልዕሊ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ትፍጽሞ ካብ ዘላ መጥቃዕቲ ክትቁጠብ\" ኢትዮጵያ ኣቐዲማ ንዘቕረበቶ ጻውዒት ኣየርላንድ ጸማም እዝኒ ከምዝሃበቶ ይኸስስ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣየርላንድ ርክብ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ከይመሓየሽ ዕንቅፋት ትኸውን ኣላ ክብል ከሲሱ። ኣብ ቀረባ እዋን፡ ባይቶ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ንኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ተሪር ውሳነ ሓሳብ ምጽዳቑ ዝዝከር እዩ። ብዛዕባ እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተጻሕፈ ናይ መጠንቀቕታ ደብዳበን ዝቐረበ ክስታትን ኣመልኪታ፡ ኣየርላንድ ክሳብ ሕጂ ዝሃበቶ ወግዓዊ ምላሽ የለን። ኣየርላንድ፡ ከም ሓንቲ ኣባል ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ጉዳይ ኲናት ትግራይን ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣመልኪቱ፡ ክዝቲ ብተደጋጋሚ ካብ ዝሓታ ሃገራት ሓንቲ እያ። መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ኣብ ልዕሊ ኣየርላንድ ቅረታ ከስምዕ ሕዚ እዚ ናይ መጀመርታኡ ኣይኮነን። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሕዳር፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ዲፕሎማሰኛታት እታ ሃገር ስጉምቲ ከምዝወሰደ ዝዝከር እዩ። ኣብቲ እዋን፡ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ፡ ኣርባዕተ ኣየርላንዳውያን ዲፕሎማሰኛታት ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ከምዘይብሎምን ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ካብታ ሃገር ክወፁ ከምዘለዎምን ኣፍሊጡ ነይሩ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣየርላንድ፡ ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ስጉምቲ፡ ብምኽንያት \"ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ብዝምልከት፡ ኣየርላንድ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ዓለማዊ መድረኻትን ብሰንኪ ዝሓዘቶ መርገጺ'ዩ\" ኢሉ ነይሩ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሳይሞን ኮቨኒ፡ ስጉምቲ ኢትዮጵያ ከምዘሕዘኖ ብምግላጽ፡ \"ባይቶ ጸጥታ ሓዊሱ መርገጺ ኣየርላንድ ምስ ቅዋም ሕብረት ኤውሮጳ ዝሳነ'ዩ\" ምባሉ ይዝከር።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c1dennr94gyo"} {"headline":"ሩስያ ተወሳኺ ኣርባዕተ ከባቢታት ዩክረይን ብወግዒ ክትጐብጥ እያ","content":"ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ድሕሪ’ቲ ብዩክረይንን ምዕራባውያን ሃገራትን ከም ሓሶት ዝኹነንዎ ባዕላዊ ሪፈረንደም፡ ንተወሳኺ ኣርባዕተ ከባቢታት ዩክረይን ብወግዒ ናብ ሩስያ ንምሕዋስ፡ ጽባሕ ዓርቢ ኣብ ዝካየድ ስነ-ስርዓት ክፍርም'ዩ። ብሩስያ ዝድገፉ ሰበስልጣን ኣቐዲሞም፡ እቲ ንሓሙሽተ መዓልታት ዝቐጸለ 'ህዝበ-ወሳነ' ዳርጋ ምሉእ ህዝባዊ ደገፍ ከምዝረኸበ ገሊጾም ነይሮም። እቶም ዝተበሃሉ መረጻታት ኣብ ምብራቕ ኣብ ሉሃንስክን ዶኔትስክን፡ ብደቡብ ድማ ኣብ ዛፖሪዢዢያን ኬርሶንን'ዮም ተኻይዶም። ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ቤተመንግስቲ ክረምሊን ዓብዪ መደረ ከስምዕ ከምዝኾነ እውን ተፈሊጡ'ሎ። ይኹን እምበር እቲ ከይዲ ብናፃ ኣካላት ምክትታል ኣይተገበረሉን። ሰበስልጣን መረፃ ብዕጡቓት ወተደራት ተዓጂቦም ገዛ ንገዛ ይኸዱ ከም ዝነበሩ ዝገልጹ ፀብፃባት’ውን ነይሮም። ኣሜሪካ ብሰንኪ እቲ ረፈረንደም ኣብ ልዕሊ ሩስያ እገዳ ክትገብር ምዃና ክትገልጽ ከላ፡ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓ ድማ ሻምናይ ዙር ስጉምትታት ንምውሳድ ይመጣጠራ ኣለዋ። ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ጀርመን ኣናሌና ባርቦክ ኣብ ዝተጎበጠ ዞባታት ዩክረይን ዝርከቡ ሰባት ብምፍርራሕ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ብጠበንጃ ካብ ገዝኦምን ናይ ስራሕ ቦታኦምን ከምዝተወሰዱ ትገልጽ። \"እዚ ኣንጻር ነጻን ፍትሓውን መረጻ'ዩ። እዚ ድማ ኣንጻር ሰላም'ዩ\" ኢላ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2wyr07re2o"} {"headline":"ወርቂ ስኒ ፓትሪስ ሉሙምባ","content":"ፓትሪስ ሉሙምባ ብ1961 እዩ ተረሺኑ። እቲ ተቐቢሩሉ ዝነበረ መቓብር ተዃዒቱ ሬሳኡ ምስ ወጸ፡ ተቘራሪፁ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ብኣሲድ ከም ዝሓቅቕ እዩ ተገይሩ። ካብ ኣካላቱ ዘተረፈት ከኣ ሓንቲ ወርቂ ስኑ ጥራይ እያ። ኣብዚ ኣቃትላ ሉሙምባ ዝሳተፍ ዝነበረ ኮሚሽነር ፖሊስ ቤልጂየም ጀራርድ ሶት፡ ወርቂ ስኒን ክልተ ኣጻብዕትን ሉሙምባ ከም ዘትረፈ ይዛረብ። ኰይኑ ግን፡ ብዘይካ እታ ወርቂ ስኒ እቲ ካልእ ኣይጸንሐን። ኣብዚ ትማሊ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝተዳለወ ስነስርዓት ከኣ፡ ስድራ ፓትሪስ ሉሙምባ ነታ ወርቂ ስኒ ተረኪቦምዋ ኣለው። ጀራርድ ሶት ንኣካላት ፓትሪስ ምውሳዱ ንባህርያት ናይቶም ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኣውሮጳ ዝነበሩ ሰበስልጣን ዘንጸባርቕ እዩ። ቤልጅየም ከም ጸላኢ ትርእዮ ዝነበረ ሰብ ናይ መወዳእታ መዋረዲ ገይራ እያ ተጠቒማትሉ። ኣብ 1999 [ኣ.ኣ.] ኣብ ዝተሰርሐ ዶክመንታሪ ፊልም፡ ጀራርድ ሶት ንኣካላት ፓትሪስ ዝወሰደሉ ምኽንያት “ከም ሽልማት ሃድን\" ሓሲቡ ከም ዝዀነ ተዛሪቡ ነይሩ። ትርጕሙ ከኣ ፓትሪስ ትሕቲ ሰብ ተቘጺሩ ይርአ ከም ዝነበረ ዘመላኽት እዩ። እዚ ፍጻመ፡ ጓል ፓትሪስ ሉሙምባ፡ እዞም ፈጸምቲ ሰባት ብዛዕባ ምዃኖም ክትሓትት ይገበራ። “ክንደይ ዝኣክል ጽልኣት እንተሃልዩካ ኢኻ ከምኡ ትገበር?” ትብል። “ኣካላት ወዲ ሰብ ምውሳድ ንናዚ ዘዘኻኽር ኣንጻር ሰብኣውነት ዝፍፀም ገበን እዩ።” ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ። ፓትሪስ ሉሙምባ ገና ወዲ 34 ዓመት እንከሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ባይቶ ናይታ ሓዳስ ነጻ ሃገር መሪሑ እዩ። ኣብ 1960 ንጉስ ቤልጅየም ዝነበረ ባውዱይን ቅድመኡ ዝነበረ ንጉስ ሊዮፖልድ ዳግማይ፡ ንኢዱ ነታ ሃገር ‘ክትስልጥን’ ዝገበረ እዩ ክብል ተዛሪቡ። ነታ ሽዑ ነጻ ሃገረ ኮንጐ ተባሂላ ትፍለጥ ዝነበረት ሃገር፡ ከም ንብረቱ ከምዝገዝኣን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉን ብጭካነ ከምዝተገፍዑን ዝገልጽ ሓሳብ ግን ኣይተዛረበን። ሉሙምባ ግን ሰጋእ መጋእ ኣይበለን። ኣብቲ ወግዓዊ ፕሮግራም መደረ ብዛዕባ እቲ ኮንጐኣውያን ዘሕለፍዎ ዓመጽን ውርደትን ተዛሪቡ። ኣብ መደምደምታኡ ብጣቕዒትን ኣድናቘትን ተዓጂቡ፡ \"ብሓይሊ ዘሰከሙና ዘዋርድ ባርነት\" ክብል ነቲ ዝነበረ ስርዓት ገሊጽዎ። ቅድመኡ ኣፍሪቃውያን ኣብ ቅድሚ ኣውሮጳውያን ከምዚ ደፊሮም ክዛረቡ ተሰሚዑ ኣይፍለጥን። ፓትሪስ ሉሙምባ ንሰበስልጣን ቤልጅየም ከም ዘዋረደ ተገይሩ ተራእዩ። ገለ ሰባት ሉሙምባ ባዕሉ ንባዕሉ ትእዛዝ ሞት ከምዝፈረመ ገይሮም ይርእይዎ። ቅትለት ሉሙምባ ግን ኣብ ዓመአቱ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ኣብ እተገብረ ውዲት፣ ከምኡ'ውን ቤልጅየም ግዝኣታ ክትቆፃፀር ብዝነበራ ባህጊ እዩ ተፈፂሙ። ሉሙምባ ናብ ሕብረት ሶቭየት ስለዘዘንበለ፡ ኣሜሪካውያን ንኽቕተል ውዲት ኣለሙ። ሓደ ብሪጣንያዊ በዓል ስልጣን ከኣ ንዕኡ ምቕታል ኣማራፂ ከም ዝዀነ ዝገልጽ መዘኻኸሪ ጽሒፉ ነይሩ። ይዅን እምበር ሉሙምባ ዝተዋረደሉን ዝተቐተለሉን መገዲ፡ ውልቃዊ ምኽንያት ዘለዎ ይመስል። ምሉእ ብምሉእ ኣካላቱን መረዳእታታት ክጠፍእ ምግባርን ንሉሙምባ ካብ ተዘክሮ ንምድምሳስን ዝተገብር ጻዕሪ እዩ ዝመስል። ፈጺሙ ከም ዘይነበረ ንምኽሓድ፡ ምቕባሩ ጥራይ እኹል ኣይነበረን። ይዅን እምበር ሉሙምባ ክሳብ ሎሚ ኣይተረስዐን። ወርቂ ስኒ ሉሙምባ ንኽምለስ ኣብ እተገብረ ወፍሪ፡ ቀንዲ መራሒት ዝዀነት ጓሉ ጁልያና ነታ ስኒ ክትቅበል ናብ ብራስልስ ተጓዒዛ። ኣብታ ስድራ ቤት ሕሳስ ልደን እንኮ ጓልን ስለ ዝዀነት፡ ምስ ኣቦኣ ኣዝያ ትቀራረብ ነይራ። ተዘክሮታት ቍልዕነታ ክትዝክር እንከላ ብውዕዉዕ ስምዒት ፍሽኽ ትብል። ጁልያና ኣቦኣ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን እንከሎ ዕድመኣ ገና ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት እያ ነይራ። ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኣትያ ኮፍ ትብል። \"ኣቦይ ክሰርሕ ከሎ ኮፍ ኢለ ይጥምቶ ነይረ፣ ንዓይ ባባይ እዩ ነይሩ፡\" ትብል። ኣቦኣ ምእንቲ ኮንጐ ስለ ዝሞተ ናይታ ሃገር ምዃኑ እያ ትፈልጥ። ብዛዕባ ክብረት ኣፍሪቃዊ ሰብ ዘለዎ ስነምግባራዊ ስርዓታትን እምነታትን'ውን ከምኡ እዩ።\" ነታ ኣብ ቤልጅየም ዘላ ስኒ ሉሙምባ ናብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ንምምላስ ምሳልያዊ ምዃኑ ትሕብር።  “ናብታ ደሙ ዘፈሰሰላ ሃገሩ ክምለስ ኣለዎ።\" እታ ስኒ ኣብ ዙርያ እታ ሃገር ከም እትዘውር ምስተገበረት፡ ኣብታ ርእሲ ክተማ ክትቅበር እያ። ይዅን እምበር ብዛዕባ ቕትለቱ ሰበስልጣን ስቕታ ብምምራጾም፡ ስድራቤት ሉሙምባ ንዓመታት ዝኣክል እንታይ ከም ዘጋጠሞ ብንፁር ኣይፈልጡን ነይሮም። ሉሙምባ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ክሳብ ግዳይ ቅትለት ንክኸውን ዝወሰዶ ግዜ ሸውዓተ ወርሒ ጥራይ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት ነዊሕ ከይፀንሐት እታ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ካታንጋ እትርከብ ብማዕድን ሃብታም ዝዀነት ኣውራጃ፡ ካብታ ሃገር ከምትትፍለ ምስ ገለጸት፡ እታ ሃገር ኣብ ቅልውላው ወዲቓ። ኣብ ውሽጢ እዚ ቅልውላው ፖለቲካ ዜጋታት ቤልጅየም ድሕነት ንምርግጋጽ ብዝብል ናብቲ ከባቢ ዝኣተዉ ወተሃደራት ቤልጅየም ንምምሕዳር ካታንጋ ድጋፍ ክገብሩ ጀሚሮም። እቲ ፕረዚደንት ንሉሙምባ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተርነቱ ምስ ኣሰናበቶ፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኮሎኔል ጆሴፍ ሞቡቱ ስልጣን ሒዙ። ኣብ 1960 ሉሙምባ ኣብ ገዛኡ ተኣሲሩ፣ ኣምሊጡ እንተነበረ’ውን ንኻልኣይ ግዜ ተታሒዙ ኣብ ምዕራብ እታ ሃገር ክቕመጥ ተገይሩ። ኣብኡ ምንባሩ ግን ዘይምርግጋእ ከም ዘስዕብ ስለዝተገመተ፡ መንግስቲ ቤልጅየም ናብ ካታንጋ ንኽዛወር የተባብዕ ነይሩ። ብ16 ጥሪ 1961 ድማ ናብ ካታንጋ ተዛዊሩ። ኣብ መወዳእታ ብ17 ጥሪ ምስ ክልተ ደገፍቱ ንኽርሸን ተወሲኑ። ኣብዚ ግዜ እዩ ኮሚሽነር ፖሊስ ቤልጂየም ጀራርድ ሶት ዝመጽእ። እቶም ሬሳታት ክርከቡ ስለ ዝኽእሉ \"ሓንሳእን ንሓዋሩን ከም ዝጠፍእ ንምግባር! ዝዀነ ይዅን ኣሰር ከይተርፍ\" ከም ዝተወሰነ ደ ዊት ኣብ ዝጸሓፎ፡ ‘ዚ ኣሳሲነሽን ኦፍ ሉሙምባ’ ዘርእስታ መጽሓፍ ዝቐረበ ምስክርነት ይሕብር። ጀራርድ ሶት፡ መጋዝ፡ ሰልፊሪክ ኣሲድ፡ ማስኬራ ገጽን ዊስኪን ሒዙ ጕጅለኡ እናመርሐ ነቶም ሬሳታት ከጥፍእ ጀሚሩ። ደሓር ክገልፆ እንከሎ እቲ ከይዲ ጕዕዞ፡ \"ናብ መዓሙቝ ገሃነም\" ከም ዝነበረ ይዛረብ። ኣብቲ ቅትለት ከም ዝተሳተፈን ስኒ ልሙምባ ምስኡ ከምዘላን ግን ብወግዒ ዝተዛረበ፡ ድሕሪ 40 ዓመታት ኣብ 1999 እዩ። ነተን ኣጻብዕቲ ሉምምባ ግን ከም ዘጥፈአን ገሊጹ። ጁልያና፡ ካብ ኣካል ኣቦኣ ዝተረፈ ክፋል ከምዘሎ ምስ ሰምዐት ዕረፍቲ ተሰሚዕዋ እዩ። \"እንታይ ከም ዝተሰምዓኒ ምርዳእ ቀሊል እዩ፡\" ትብል ብስምዒት ተዋሒጣ። ጀራርድ ሶት ነታ ስኒ ንምርኢት የቕርባ ኣየቕርባ ኣይፍለጥን፣ ግን እታ ስኒ ምስ ስድራኡ እያ ጸኒሓ። ኣብ 2016፡ መበል 55 ዓመት ዝክረ ቅትለት ሉሙምባ፡ ሰሙን ክተርፎ እንከሎ፡ ጋድሊቭ ዝተባህለት ጓል ጀራርድ፡ ሶት ሁሞ ምስ ዝተበሃለ መጽሔት ቤልጅየም ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ፡ እቲ “ምስኪን ኣቦኣ” ብዝገበሮ ነገር ከመይ ከም ዝተሳቐየን ሰበ ስልጣን ቤልጂየም ነቲ ትእዛዝ ብምሃቦም ድማ ንስድራኣ ይቕረታ ክሓቱ ከም ዘለዎምን ተዛሪባ። ወሲኻ’ውን ኣቦኣ ካብ ዘቐመጦም ዝተወሰኑ ነገራት ሕጂ’ውን ከም ዘለዉን፡ ካብዚኦም ሓንቲ ድማ እታ ስኒ ሉሙምባ ከም ዝዀነትን ሓቢራ። ብድሕሪኡ ብፖሊስ ቤልጅም ተታሒዛ ምስ ጸንሐት፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ቤት ፍርዲ፡ እታ ስኒ ንስድራ ሉሙምባ  ንኽትወሃብ ወሲኑ። ነታ ስኒ ንምምላስ ኣብ ዝተገብረ ወፍሪጽ ጁልያና ንንጉስ ፊሊፕ ልቢ ዝትንክፍ ደብዳበ ፅሒፋትሉ ነይራ። \"ድሕሪ እቲ ዘስካሕክሕ ቅትለቱ፡ ሬሳኡ ዘልኣለማዊ ዕረፍቲ ዝገብረሉ መዕቈቢ ክንዲ ዝረክብ፡ ንምንታይ ንዘልኣለም ኰለል እትብል ነፍሲ ኰይና ክትቕጽል ይፍረዶ?\" ኢላ ሓቲታ። እዛ ስኑ ምስ ተመልሰት፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበረ ፓትሪስ ሉሙምባ ኣብ ኪንሻሳ ፍሉይ መቓብር ተገይሩሉ ዘልዓለማዊ ዕረፍቲ ክረክብ እዩ። \"ብባህልና፡ ዝሞተ ሰብ ክንቀብር እዩ ደስ ዝብለና” ይብል ምሁር ታሪኽን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር እታ ሃገርን ዝዀነ ጆርጅስ ንዞንጎላ-ንታላያ። \"ንስድራኡን ንህዝቢ ኮንጎን እዚ ዕረፍቲ ዝህብ እዩ፡ ምኽንያቱ ሉሙምባ ጅግናና ስለዝዀነ ግቡእ ስርዓተ ቐብሪ ክንገብረሉ ደስ ይብለና።\" ዋላ'ኳ ቐብሪ እንተ ተገብረ፡ እቲ ዝሓለፈ ነገር ግን ክሕሰበሉ የድሊ። እቲ ንብዙሕ ዓመታት ዝነበረ ዕላዊ ስቕታ ዝሰበረት፡ ብደ ዊት ዝተጻሕፈት መጽሓፍ፡ ኣብ 1999 \"ሓቀኛ ኵነታት እቲ ቅትለትን…ከምኡ’ውን ተሳትፎ ፖለቲከኛታት ቤልጅየም እንታይ ከምዝነበረን\" ዘረጋግጽ ምርመራ ዝገብር ባይቶ ንኽቐውም ክተለዓዕል ክኢላ እያ። እቲ ሽዑ ዝነበረ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቤልጅየም ሉዊስ ሚሸል ንስድራ ሉሙምባን ንህዝቢ ኮንጐን “ይቕረታ” ኢሉ \"ዓሚቝን ቅኑዕን\" ጣዕሳ ከም ዝስምዖ ገሊፁ ነይሩ። ፕሮፌስር ንዞንጎላ-ንታላያ ቤልጅየም ኣብ ቅትለት ሉሙምባ ዝነበራ ግደ ተቐቢላ እያ ኢሉ ከምዘይኣምን ንቢቢሲ ገሊጹ እዩ። “ቤልጅየም ከም ዝገበርዎ ንዝፈልጥዎ ነገር ሓላፍነት ኣይወሰደትን፣ ዘዕግብ ኣይኮነን።” ኣኽበርቲ ሕጊ ቤልጅየም ነቲ ጉዳይ ከም ገበን ኲናት እዮም ዝርእይዎ። ካብቶም ዝተጠርጠሩ 12 ሰባት እቶም 10 ድማ ሞይቶም እዮም፣ እቲ ምርመራ ግን ዝሑል ኣካይዳ እዩ ዘለዎ። እታ ስኒ ሉሙምባ ምምላሶም ኣብ መንጐ ቤልጅየምን ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐን ኣብቲ ጉዳይ ዕርቂ ንኽፍፅማ ዘበራትዕ መስርሕ እዩ። “ሓደ ስጕምቲ እዩ - ንቕድሚት ድማ ክንከይድ ኣለና፡” ትብል ጓል ሉሙምባ። እንተዀነ፡ ዝተወሰኑ ብጾቱ'ውን ኣብቲ ቕትለት ስለዝተሳተፉ፡ ብወገን ኮንጐ'ውን ክሕሰበሉ ዘለዎ ጉዳይ ከምዘሎ ትገልጽ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crgrn505v1do"} {"headline":"ኣብ ኖርዌይ ዓቢይ ድልድል ፈሪሱ፡ ክልተ መራሕቲ መካይን ካብቲ ሓደጋ ድሒኖም","content":"ኣብ ደቡባዊ ኖርወይ ሓደ ድልድል ዝፈረሰ ኮይኑ ክልተ ዘወርቲ መካይን ካብቲ ሓደጋ ድሒኖም።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crgkwlwd8x4o"} {"headline":"ዘይንቡር ሃሩር ኤውሮጳ ቀታሊ ባርዕ የልዕል ኣሎ","content":"ኣብ ፖርቱጋል፡ ስጳኛን ደቡባዊ ምዕራብ ፈረንሳን ሓያል ባርዕ ከምዘጋጠመ ተገሊጹ። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊን ሓያሎ ነፈርቲን፡ ነቲ ባርዕ ደው ከብሉ ይረባረቡ ኣለው። እንተዀነ እቲ ባርዕ ዛጊት ክዝሕል ኣይተራእየን። ኣብ ሰሜን ፖርቱጋል ሓንቲ ነፋሪት ምጥፋእ ሓዊ፡ ፎዝኮኣ ኣብ ዝበሃል ቦታ ድሕሪ ምውዳቓ ህይወት እቲ ፓይለት ከምዝጠፍአ'ውን ተፈሊጡ። እቲ ባርዕ፡ ጊሮንድ ኣብ ትበሃል ዞባ ፈረንሳ ብሰንኪ ዘስዕቦ ዘሎ ዕንወት፡ ልዕሊ 12,000 ሰባት ካብቲ ከባቢ ንኽወጽኡ ምኽንያት ኰይንዎም ኣሎ። እቲ ባርዕ ናብ ኵድዅዶታት ሚጃስ ደቡባዊ ስጳኛ ምስተዘርገሐ፡ ኣብ ጥቓ ኮስታ ደል ሶል ዝነበሩ ኣስታት 2,300 ሰባት’ውን ካብቲ ከባቢ ክሃድሙ ተገዲዶም ኣለው። እዚ ኸምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሓደ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ሰብ ነቲ ኣብ ጥቓ ደቡባዊ ምዕራብ ገማግም ኣትላንቲክ ፈረንሳ ዘጋጠመ ባርዕ፡ \"ድሕረ-መቕዘፍቲ\" ክብል ገሊጹ። ኣብ ጥቓ ተስት-ደ-ቡኽ ትነብር ካሪን ብወገና፡ \"ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ዓይነት ነገር ርእየ ኣይፈልጥን፡\" ክትብል ንኤ.ኤፍ.ፒ ገሊጻ። ኣብቲ ከባቢን ኣብ ደቡብ ቦርዶን ዘጋጠመ ባርዕ፡ ልዕሊ 10,000 ሄክታር መሬት ከዕኑ እንከሎ፡ ኣስታት 3,000 ዝዀኑ ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ምስቲ ባርዕ ይቃለሱ ኣለው። ኣብ ፖርቱጋል፡ ካብ ሰሉስ ጀሚሩ 47 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ሙቐት ክምዝገብ እንከሎ፡ ኣብ ስጳኛ ድማ ልዕሊ 40 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ከምዝበጽሐን፡ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዛጊት 300 ሰባት ከምዝሞቱን ማዕከን ዜና ስጳኛ  ኤፈ ኣቃሊሑ። ኣብ ፖርቱጋል፡ መብዛሕትኡ ግዜ ባርዕ ዝለዓለሉ ከባቢ፡ ሰሜናዊ ምብራቕ ከተማ ፖርቶ እዩ። ኣብዚ ዓመት 30,000 ሄክታር መሬት ብሓዊ ክዓኑ እንከሎ፡ እዚ ኣብ 2017 ካብ ዝተራእየ፡ 100 ዝኣኽሉ ሰባት ንዝቐተለ ሙቐት ዝሰዓበ፡ ዝኸፍአ ሙቐት ኰይኑ ኣሎ። እቲ ባርዕ ኣብ ካልኦት ክፍሊታት መዲተራንያን’ውን ጕድኣት ኣውሪዱ እዩ። ነዚ ስዒቡ መንግስቲ ኢጣልያ፡ ኣብ ከባቢ ፓቫሊ፡ ኣዋጅ ህጹጽ ኵነታት ኣውጺኡ ኣሎ። ኣብ ግሪኽ’ውን፡ ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ብሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ ኣቴንስ ኣስታት 50 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ፈሪዛ ምስ ዝተላዕለ ባርዕ ይቃለሱ ኣለው። ብሰንኪ’ዚ፡ ኣብ ጥቓ ረቲምኖ፡ ነበርቲ ሸውዓተ ቁሸታት መረበቶም ሓዲጐም ከም ዝወጽኡ ተገይሩ’ሎ። ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሞሮኮ፡ ነበርቲ ኣውራጃታት ላራቺ፡ ኡዌዛን፡ ታዛን ቴቶዋን ብሰንኪ ሙቐት ብዘተፈጥረ ባርዕ፡ ከባቢኦም ሓዲጐም ክግዕዙ ተገዲዶም ኣለው። ኣብ ከባቢ ክሳር ኣልከቢር ትርከብ ሓንቲ ቍሸት፡ ምሉእ ብምሉእ ክትዓኑ እንከላ፡ እንተ ወሓደ ሓደ ሰብ ሞይቱ’ሎ። ፈረንሳ፡ ኣስታት 40 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ብዝበጽሐ ብርቱዕ ሃሩር ትሳቐ’ላ። እዚ፡ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ክገድድ ከም ዝዀነ ትንበያታት ኵነታት ኣየር የመልክት። 16 ትካላት ድማ ዝኸፍአ ክሊማ ከየጋጥም፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተጠንቀቕ ኰይነን ብንቕሓት ይከታተላ ኣለዋ። ሓላፊ ፈደረሽን መጥፋእቲ ሓዊ ፈረንሳ ግሬጎሪ ኣሊዮን፡ ምውሳኽ ሙቐት ዓለም ኣመልኪቱ፡ \"ነዚ ጽልዋ እዚ መዓልታዊ ዝቃለሱ ዘለው፡ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊን ሲቪላዊ ድሕነት እዮም። እዚ ሳዕቤን እዚ ኸኣ ኣብ 2030 ዝመጽእ ዘይኮነስ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘሎ እዩ፡\" ክብል ኣጠንቂቝ’ሎ። ብሰንኪ ተግባር ደቂሰብ ዝተፈጥረ ዓለማዊ ክሊማዊ ለውጢ፡ ማዕበላት ሃሩር እናበዝሐ፡ እናኸበደን ነዊሕ እናጸንሐን ይኸይድ ኣሎ። ካብ ዘመነ ኢንዱስትሪያውነት ኣትሒዙ፡ ሙቐት ዓለም ድሮ ብ1.1 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ወሲኹ። መንግስታት ዓለም፡ እቲ ጠንቂ’ዚ ክስተት ዝዀነንጽገት ካርቦን ብዓቢይ መጠን ከም ዝንኪ እንተ ዘይገይሮም፡ ሙቐት ዓለምና እናበኣሰ ከም ዝኸይድ ይግለጽ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crg3gg673n6o"} {"headline":"ኔትፍሊክስ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዓማዊሉ ከሲሩ","content":"ንዓመታት ፊልምታት ብኢንተርኔት ብምርኣይ ልዑል ዝና ዝተጎናፀፈ ኔትፍሊክስ ከቢድ ፈተና ኣጋጢምዎ። ቁፅሪ ነዚ ኣገልግሎት ዘቋርፁ ሰባት ካብ እዋን ናብ እዋን እናነከየ ዝመፅአ ኮይኑ፡ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ክሳብ ሓምለ ኣብ ዘሎ እዋን ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዓማዊሉ ስኢኑ። እንተኾነ እቲ ትካል፡ ካብዚ ንላዕሊ ዓማዊል ክስእን እኽእል እየ ዝብል ስግኣት ስለዝነበሮ ከምዝተፈርሐ ኣይኮነን ኢሉ። ልዕሊ እዚ በዝሒ ተጠቀምቲ'ቲ ኣገልግሎት ምጥቃም ከየቋርፁ ዝገትአ ምኽንያት፡ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ዝተሓተተ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኔትፍሊክስ ሬድ ሄስቲንግስ፡ ምውፃእ ቀፃሊ ተኸታታሊ ፊልም ‘ስትሬንጀር ቲንግስ’ ከም ዝኾነ ተዛሪቡ። ብብዙሓት ልዑል ተፈታውነት ዝረኸበ ‘ስትሬንጀር ቲንግስ’ ዓወት ከምዝተጓናጸፈን፡ ሓድሽ ክፍሊ ምውፅኡ ድማ  ፍልሰት ዓማዊል ንምግታእ ከምዝሓገዘ ይእመን። ካብ 2011 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ንነዘ ቁፅሪ ዓማዊል እቲ ትካል እናነከየ ዝመፅአ እንትኾን፡ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰራሕተኛታት ነክዩ እዩ። ካልኦት ተነሓናሕቲ እውን ንኔትፍሊክስ ይፈታተንዎ ብምህላዎም፡ እቲ ትካል ባዕሉ ወሰኽ ምግባሩ ልዑል ፀቕጢ ኣሕዲርሉ’ዩ። ኣብዚ ዝሓዝናዮ ሰሙን ብሰሉስ ዝተመዝገበ ምንካይ ዓማዊል፡ ኣብ ታሪኽ እቲ ትካል ዝለዓለ እዩ። ኣብ ሃገራት ኣሜሪካን ካናዳን ከምኡ እውን ኣብ ኣውሮጳ ዝርከቡ ዓማዊል ብቅደም ሰዓብ ነዚ ኣገልግሎት ዘቋረፁ እዮም። ዋና ዳይሬክተር ኣምፒር ኣናሊይስስ ጋይ ቢሰን፡ ኔትፍሊክስ ኣብ ዕድጋ ዘለዎ ብጽሒት ምስኣኑ ዘይተርፍ እዩ ይብል። “ኣብቲ ዓውዲ ፈላሚ ክትኸውን  እንከለኻ፡ ብሓደ ኣንፈት ጥራሕ ኢኻ ክትከይድ ዘለካ፤ ብፍላይ ብዙሓት ተወዳደርቲ ኣብ ዝመፅሉ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት እዚ እዩ ተፈጢሩ” ኢሉ። ኣብ ዙርያ ዓለም ንዘለዉ ሰባት መዘናግዒ ብሓድሽ መልክዕ ብምርኣይ፡ ለውጢ ዘምፅአ ኔትፍሊክስ፡ ንዓመታት ዘይግታእ ኣብ ዝመስል ዕብየት ዝነበረ እንትኾን፡ ሕዚ እቲ ዝነበረ ኩነታት ተቐይሩ። ብፍላይ ድማ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝኽሰት 2020 ንነዘ፡ ኔትፍሊክስ ብብርኪ ዓለም ዘለዎ ልዕልነት ኣጠናኺሩ ነይሩ፤ ብዙሓት ሰባት ኣብ ገዝኦም ጥራሕ ኣብ ዝተወሰንሉን ካልኦት ኣማራፅታት ኣብ ዝጠፍእሉን ከም ስኩዊድ ጌምን ዘ ክራውንን ዝተብሃሉ ዘይርስዑ ፊልምታት ኣቕሪቡ’ዩ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cp6kel8dy07o"} {"headline":"ኣውሮጳ 500 ዓመታት ርእያቶ ዘይትፈልጥ ድርቂ ኣጋጢምዋ - ጸብጻባት","content":"ክልተ ሲሶ ካብ መሬት ኣውሮጳ ዝኸበደ ናይ ድርቂ ሓደጋ ኣጋጢምዎ ምህላውን እዚ ክስተት ኣብታ ኣህጉር ኣብ ዝሓለፈ 500 ዓመታት ካብ ዝተረኣየ ድርቂ እቲ ዝኸፍአ ምዃኑን ጸብጻባት ሓቢሮም። እዚ ካብ ‘ግሎባል ድራውት ኦብዘርቫቶሪ’ ዝተረኸበ ጸብጻብ 47 ሚኢታዊት መሬት ናይታ ኣህጉር ነቒጹ ምህላዉ ብምሕባር ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ከምዝርከብ ይገልጽ። ካልእ 17 ሚእታዊት ኸአ፡ እቲ ኣትክልቲ ምልክት ናይ ምድራቕ የርኢ ብምህላዉ ኣብ ገምገም ሓደጋ ድርቂ በጺሑ ከምዘሎ ተገሊጹ። እቲ ጸብጻብ፡ እዚ ክቱር ድርቂ ብፍላይ ኣብ ከም ደቡባዊ ክፋል ኣውሮጳ ንሓያለ ኣዋርሕ ክቕጽል ተኽእሎ ከምዘሎን ሓደጋታት ባርዕ ጫካ ከስዕብ ከምዝኽእልን ኣጠንቂቑ ኣሎ። ሕርሻዊ ፍርያት እዚ ዓመት ምስ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ብምንጽጻር፡ ኣብታ ኣህጉር ምህርቲ ዕፉን ብ16 ሚኢታዊት፡ ሱፍ ብ12 ሚኢታዊት፡ ‘ሶያቢን’ ኸኣ ብ15 ሚኢታዊት ጎዲሊ ኣሎ። ግሎባል ድራውት ኦብዘርቫቶሪ ኣካል ናይቲ ብኮምሽን ኣውሮጳ ዝግበር ምርምራት ኮይኑ ዝረኸቦ ጸብጻብ ብቐጥታ ናብ ኮምሽን ኣውሮጳ’ዩ ዘረክብ። ኮምሽነር ግሎባል ድራውት ኦብዘርቫቶሪ ማርያ ጋበርኤል፡ እዚ ኣብ ኣውሮጳ ተኸሲቱ ዘሎ ብርቱዕ ማዕበል ዋዕን ሕጽረት ማይን “ኣብ መላእ ኣውሮጳ ትጽቢት ዘይተገበረሉ ምጉዳል መጠን ክዙን ማይ” ከምዘኸተለ ገሊጻ። ንሳ \"ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ባርዕ መሮር ንርኢ ኣለና፡ እዚ ኸኣ ኣብ ፍርያምነት ኣእካል ርኡይ ኣሉታዊ ጸልዋ ፈጢሩ ኣሎ፡ ክሊማዊ ለውጢ’ውን ዓመታዊ ብርኡይ ክውስኽ ነስተብህል ኣለና\" ኢላ። እቲ ጸብጻብ፡ ዳርጋ ኩሎም ኣፍላጋት ኣውሮጳ ናይ ምድራቕ ምልክታት ኣርእዮም ምህላዎም ኣጠንቂቑ’ሎ። ምጉዳል መጠን ማይ ኣፍላጋት ብዘይካ እቲ ንምንቅስቃስ ጀላቡ ምድራቱ፡ ነቲ ድሮ ኣብ ቅልውላው ኣትዩ ዘሎ ቀረብ ጸዓት’ውን ጽልዋ ይፈጥረሉ ኣሎ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ኣውሮጳ ቀረብ ጸዓት ሃይድሮኤለትሪክ ብ20 ሚኢታዊት ነክዩ ኣሎ። እቲ ድርቂ ብፍላይ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣዝዩ ከምዝወሰኸ ዝገልጽ እቲ ጸበጻብ፡ ኣብተን ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ኣውሮጳ፡ ክሳብ ወርሒ ሕዳር ክቅጽል ከምዝክእል ኣአንፊቱ። ኣብ ሃገራት ስጳኛ፡ ኢጣልያ፡ ፖርቱጋል፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ሆላንድ፡ ቤልጂም፡ ላክሰምበርግ፡ ሮማንያ፡ ሃንጋሪ፡ ሰሜን ሰርብያ፡ ዩክረይን፡ ሞልዶቭያን ዓባይ ብሪጣንያን እቲ ኩነታት ድርቂ እናብኣሰ ክኸይድ ከምዝኽእል እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cxryrp4ewreo"} {"headline":"ፊንላንድን ስዊድንን ናብ ኔቶ ንምጽንባር ዝገበራኦ ጕዕዞ","content":"ፊንላንድን ስዊድንን ናብ ኔቶ ይጽንበራ ኣለዋ። እዚ ነተን ዘይሻራውያንን ኣብ ወተሃደራዊ ልፍንቲ ዘይገጥማን ሃገራት ዓቢይ መቐይሮ እዩ። ናብ ኔቶ ንኽጽንበራ ናይ መወዳእታ ዕንቅፋት ዝነበረት ቱርኪ እያ ነይራ። ነዚ ዕንቅፋት ከኣ ኣብ ማድሪድ ኣብ ዝተገብረ ዋዕላ ሰጊረናኦ ኣለዋ። ሩስያ፡ ምጽንባር እዘን ሃገራት ክትቃወሞ ጸኒሓ እያ። ኣብቲ ዞባ ዝርአ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ሰራዊት ሃገራት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኲናት ንምውላዕ ተጠቒማትሉ እያ። ፊንላንድን ስዊድንን ንዓመታት ሻራ ከይሓዛ እንተጸንሓ እውን ሩስያ ንዩክረይን ምውራራ ስዒቡ ኣባል ኔቶ ንክኾና ዝወሃብ ድጋፍ ወሲኹ እዩ። ቭላድሚር ፑቲን ንዩክረይን ምውራሩ ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ኣብ ሰሜናዊ ኣውሮጳ ዝነበረ ርግኣት ስለ ዘዳኸሞ፡ ስዊድንን ፊንላንድን ስግኣት ከም ዝስምዐን ገይሩ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ፊንላንድ ዝነበረ ኣሌክሳንደር ስታብ፡ ሰራዊት ሩስያ ብ24 ለካቲት ንዩክረይን ምስ ወረረ ፊንላንድ ኣባል ኔቶ ምዃና \"እተፈጸመ ውዕል\" ከምዝኾነ ገሊፁ እዩ። ብዙሓት ፊንላዳውያን ኣብ ዩክረይን ዘጋጠመ ፍጻመታት ቅድሚ ሕጂ'ውን ከም ዘጋጠመ ኣጸቢቘም ይፈልጥዎ እዮም። ኣብ መወዳእታ 1939 ሶቭየት ንፊንላንድ ክትወራ እንከላ፡ ሰራዊት ፊንላንድ ብቍጽሪ እንተ ተዓብለሉ እውን ብርቱዕ ምክልኻል ገይሮም እዮም። ሽዑ ፊንላንድ እንተዘይተተሓዘት'ውን 10 ሚእታዊ መሬታ ስኢና እያ። ስለዝኾነ፡ ኣብ ዩክረይን ዘጋጥም ዘሎ ኲናት እቲ ታሪኽ ዳርጋ ዝድገም ዘሎ ከምዝኾነ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሄልሲንኪ ምሁር ስነፍልጠት ፖለቲካ ዝኾነት ኢሮ ሳርካ ትገልፅ። ምስ ሩስያ ዘዳውብ 1,340 ኪሎሜተር እንክርአ፡ \"ኣባና’ውን ክፍጸም’ዶ ይኸውን?\" ኢላ ትሓስብ። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት እውን ነፈርቲ ኲናት ሩስያ ክሊ ኣየራ ከም ዝጠሓሳ ዝገልጹ ጸብጻባት ስዒቡ፡ ስዊድን ኣብ ሓደጋ ከም ዘላ ኰይኑ ተሰሚዕዋ ኣሎ። ብ2014 ሓንቲ ሩስያዊት ሳብሜሪን ዕምቈት ኣብ ዘይብሉ ማያት እኩባት ደሴታት ስቶክሆልም ትዘውር ከም ዘላ ዝገልጹ ጸብጻባት፡ ኣብ ልዕሊ ስዊድናውያን ፍርሒ ፈጢሩ ነይሩ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ሰራዊት ስዊድን ኣብ ባሕሪ ባልቲክ ናብ ትርከብን ንኽልተ ዓመት ሓዲጐምዋ ናብ ዝነበሩን ደሴት ጎትላንድ ተመሊሶም ምስፋሮም ይዝከር። ኣብ ገለ መዳያት ብዙሕ ለውጢ ኣይክህሉን እዩ። ስዊድንን ፊንላንድን ብ1994 (ኣ.ኣ.) ወግዓዊ መሻርኽቲ ኔቶ ኰይነን ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዘን ከኣ ቀንዲ ኣበርክቶ ክህባ ጸኒሐን እየን። ዝሑል ኲናት ካብ ዝዛዘም ኣትሒዙ ኣብ ዝተፈላለየ ወፍሪታት ኔቶ ተኻፊለን እየን። እዘን ክልተ ሃገራት ኣብ ትሕቲ ዓንቀጽ 5 ኔቶ ንመጀመርታ ግዜ ናይ ድሕነት ውሕስነት ክረኽባ እየን። እዚ ዓንቀጽ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣባል ሃገር ዝወርድ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ዅለን ከም ዝተፈፀመ ከም ዝውሰድ ይገልጽ። ድሕሪ ምፍራስ ሕብረት ሶቭየት ናጻ ዝኾና ሃገራት፡ ኣባልመት ኔቶ ክረኽባ ምስ ጀመራ፡ ፊንላንዳውያን እውን ኣባል ንምዃን ኣእምሮኣዊ ድልውነት ከም ዝነበሮም ተመራማሪ ታሪኽ ሄንሪክ ሜይናንደር ይገልጽ። ኣብ 1992 ሄልስንኪ  64 ነፈርቲ ውግእ ኣሜሪካ ገዚኣ። ድሕሪ 3 ዓመት ምስ ስዊድን ብሓባር ኣባላት ሕብረት ኣውሮጳ ኰይነን። ካብኡ ኣትሒዙ ኵሎም መንግስቲታት ፊንላንድ ኣባል ኔቶ ከም መማረጺ ይርእይዎ ነይሮም። እዛ 5.5 በዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር 280,000 ወተሃደራትን 900,000 መሓለውታን ኣለዋ። ስዊድን ግን ካብ 1990ታት ጀሚራ ዝተፈለየ ኣቀራርባ ሒዛ እያ ጸኒሓ። ወተሃደራታ ቀኒሳ ካብ ምክልኻል ዶብ ኣብ ምዕቃብ ሰላም ዓለም ኣቓልቦ ክትህብ ጀሚራ። እዚ ዅሉ ግን ኣብ 2014 ሩስያ ንክረምያ ክትወርር ከላ ተቐይሩ። ውትህድርና ከም ብሓድሽ ተጀሚሩ፤ ባጀት ምክልኻል ወሲኹ። ኣብ 2018፡ ኵሎም ስድራታት “ኣብ እዋን ኲናት ወይ ቅልውላው” ዝብል ፓምፍለት ተዓዲልዎም። እዚ ካብ 1991 ንደሓር ንመጀመርታ ግዜ እዩ። ፊንላንድ ድሮ ኣብቲ ኔቶ ዝተሰማምዓሉ ናይ ምክልኻል ወጻኢ 2% ዓመታዊ ጃምላዊ ፍርያት በጺሓ እያ። ስዊድን ከኣ ነዚ ክትፍፅም መደብ ኣውጺኣ ኣላ። ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ምስፍሕፋሕ ኔቶ ንድሕነት ሃገሩ ብቐጥታ ዘስግእ ከም ዝዀነ ይኣምን። ስዊድንን ፊንላንድን ናብ ኔቶ እንተ ተጸምቢረን ንሩስያ ዘቘጥዕ ተገይሩ ክሕሰብ ይኽእል። ክልቲአን ሃገራት ኣባል እንተኾይነን ዝህልዎ \"ሳዕቤናት\" ብዝምልከት መጠንቀቕታ ከምዝተወሃበን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ይገልጽ። እቲ ናይ ቀረባ መሻርኽቲ ፑቲን ዝኾነ ፕረዚደንት ነበር ዲሚትሪ ሜድቬደቭ፡ ምስፍሕፋሕ ኔቶ መስኮ ኣብ መንጐ ፖላንድን ሊትወንያን ኣብ ትርከብ ካሊኒንግራድ መጥቃዕቲ ኑክልየር ክትፍጽም ከም ዘገድዳ ኣጠንቂቑ ነይሩ። ኣሌክሳንደር ስታብ፡ ነዚ ምጕብዕባዕ እዚ ዕሽሽ'ኳ እንተዘይበሎ፡ እቲ ክውን ስግኣት ሩስያ መጥቃዕቲ ኢንተርነት፡ ዘመተ ግጉይ ሓበሬታ ከምኡ'ውን ሓሓሊፉ ጥሕሰት ኣየር ከይትፍፅም ከም ዝዀነ ይሕብር። እንተወሓደ ኣብ ስዊድን እዚ ከም ዘይከውን ዝኣምኑ ሒደት ሰባት ኣለዉ። ምክልኻል ኑክልየር ኔቶ ምስ ሩስያ ዝግበር ውድድር ኣጽዋር፡ ውጥረትን ክውስኽ ከም ዝገበረ፡ ካብ ማሕበር ሰላምን ዳንነትን ስዊድን ዲቦራ ሰለሞን ትገልጽ። ካልእ ስግኣት፡ ስዊድን ምስ ኔቶ ክትሓብር እንተ ዀይና ኣብ ዓለምለኻዊ ጻዕርታት ምጥፋእ ኣጽዋር ኑክልየር ዘለዋ ቐንዲ ግደ ከይትስእን እዩ። ናብ ኔቶ ምጽንባር ነቲ ሕልሚ ከም ዘፍሽሎ ዲቦራ ትገልፅ። ዘይሻራውነት ፊንላንድ ካብዚ ይፍለ። እዚ ድማ ሕብረት ሶቭየት ብ1948 ኣብ ዘውጽኣቶ \"ውዕል ምሕዝነት\" ዝተኣታተወ ኵነታት ሰላም ኰይኑ እዩ ተፈጺሙ። ንናጽነት እታ ሃገር ንምዕቃብ ዝሕግዝ ግብራዊ መገዲ ተገይሩ እዩ ተሓሲቡ። ዘይሻራውነት ንስዊድን መንነትን ስነ-ሓሳብን ንፊንላንድ ግን ሕቶ ህላወ ከም ዝነበረ ሄንሪክ ሜይናንደር ይገልፅ። ሓደ ካብቲ ስዊድን ኣባል ኔቶ ንምዃን ክትዕ ትገበረሉ ምኽንያት፡ ፊንላንድን ሃገራት ባልቲክን ከም \"ዞባ መፈተሺ ነቝጣ\" ገይራ ስለ ዝተጠቕመትለን ምዃኑ ይሕብር። ሕብረት ሶቭየት ምስ ፈረሰት ፊንላንድ ዘይሻራውነታ ሓዲጋ እያ። ካብ ጽልዋ ሕብረት ሶቭየት ንምውጻእ ገጻ ናብ ምዕራብ ገይራ። ገና ካብ ዘይሻራውነት ንዝወፀት ፊንላንድ፡ ኣብ 1990ታት ምስ ኔቶ ምጽንባር ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ከም ዝነበረ ኢሮ ሳርካ ይዛረብ። ግዜን ኣብ ስግኣት ዝነበረ ኣረኣእያን ግን ኣብዚ እዋን ተቐይሩ እዩ። ሕጂ መብዛሕትኦም ፊንላንዳውያን ድሉዋት ምዃኖም ይገልፁ። ስዊድንን ፊንላንድን ናብ ኔቶ ንኽጽንበራ ዘቕረባኦ ሕቶ ብሰንኪ ቱርኪ ደው ኢሉ ነይሩ እዩ። ሓንቲ ሃገር ናብ ኔቶ ንምጽንባር ተቕርቦ ጠለብ ብዅለን ኣባላት እቲ ልፍንቲ ክጸድቕ ኣለዎ። መንግስቲ ቱርኪ፡ ስዊድንን ፊንላንድን ኣብ 2016 ፈተነ ዕልዋ ኣካይዶም ትብሎም ምንቅስቓስ ጉለንን ሚሊሻታት ኩርድን ይሕግዛ እየን ይብል። ቱርኪ ኣምሳያ ደገፍ ንስዊድንን ፊንላንድን ነቶም ጕጅለታት ፖለቲካዊ፡ ቑጠባውን ወታሃደራውን ሓገዝ ካብ ምግባር ክዕቀባ ከምትደሊ ትገልፅ። ኣብ ቱርኪ ዘንበራኦ እገዳ መሸጣ ኣጽዋር’ውን ከልዕላን ምስ ግብረ-ሽበራ ምትእስሳር ዘለዎም ውልቀ-ሰባት ኣሕሊፈን ክህባኣን እውን ድልየት ኣለዋ። ሰዓታት ኣብ ዝወሰደ ዋዕላ ማድሪድ ሚኒስተራት ወፋኢ ጉዳያት ሰለስቲአን ሃገራት ስሉሳዊ ስምምዕ ተፈራሪሞም ኣለዉ። ኣዛዚ ኔቶ ጄንስ ስቶልተንበርግ ስዊድን እቶም ቱርኪ እትጥርጥሮም ሚሊሻታት ካብ ሃገራ ንምስጓግ ከም ዝተሰማምዐት ገሊጹ። ስዊድንን ፊንላንድን ኣብ ልዕሊ ቱርኪ ኣንቢረናኦ ዝነበራ እገዳ መሸጣ ኣጽዋር ከልዕላ ከምዝተሰማምዓ እውን ወሲኹ ሓቢሩ። ኣባል ሰራዊት ቃልኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ዝዀነት ቱርኪ ብወገና፡ ስዊድንን ፊንላንድን ኣባላት እቲ ልፍንቲ ክዀና ንዘቕረባኦ ጠለብ ደጊፋ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/czrdpl7zneeo"} {"headline":"ሳካን ራሽፎርድን ብዝሒ ጸርፍን ዘለፋን ዝወረዶም ተጻወትቲ ምዃኖም ፊፋ ገሊጹ","content":"ፊፋ ብዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ኣብ ውድድራት ኢሮን ዋንጫ ኣፍሪቃን ካብ ዝተሰለፉ ተጻወትቲ፡ ልዕሊ ፍርቂ ጸርፍን ዘለፋታትን ከምዘጋጠሞም ብምርግጋጽ፡ ካብኣቶም ሳካን ራሽፎርድን እቶም ዝያዳ ዝተጸረፉን ዝተዘለፉን ተጻወትቲ ምንባሮም ኣነጺሩ። ፊፋ ምስ ተጻወትቲ ተወሃሂዱ ነቶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ልዕሊ ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ ጸርፍን ምፍርራሕን ዝፍጽሙ ውልቀሰባት ንምልላይ ይሰርሕ ምህላዉ ሓቢሩ ኣሎ። እቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣብ እዋን ፍርቂ ፍጻመን፡ ፍጻመን ጸወታ ኵዕሶ እግሪ ኣውሮጳ 2020 ከምኡ’ውን ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ፡  400 ሽሕ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተለጠፈ ጽሑፋት ከም ዝዳህሰሰ ኣነጺሩ። ብመሰረት እቲ ዝተገበረ መጽናዕቲ ልዕሊ 50 ሚእታዊት ተጻወትቲ ተመሳሳሊ ጸርፍን ዘለፋን ከም ዝበጽሖም ከረጋግጽ ክኢሉ። እንግሊዝን ኢጣልያን ኣብ ዝገጠማሉ ጸወታ ፍጻመ ዋንጫ ኣውሮጳ፡ ፍጹም ቅላዕ ዝሰሓቱ ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ቡካያ ሳካን ማርኮስ ራሽፎርድን እቶም ዝበዝሐ ዘለፋታት ዘጋጠሞም ተጻወትቲ’ዮም። ፕረዚደንት ፊፋ ግያኒ ኢንፋንቲኖ፡ “ቀንዲ ዕላማና ንኵዕሶ እግሪ ምክልኻል እዩ፡ እዚ ኸኣ ነቶም ቀንዲ ምንጪ ሓጐስ ዝዀኑ ተጻወትቲ ብምክልኻል እዩ ዝጅመር”ኢሉ። ንሱ ኣስዒቡ፡ “ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ንተጻወትቲ፡ ኣሰልጠንቲ፡ ኣካየድቲ ጸወታንን ጋንታታትን ዕላማ ዝገብር ጽሑፋት ይስዕርር ኣሎ፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ነገራት ከአ ኣብ ኵዕሶ እግሪ ብፍጹም ቦታ የብሉን” ኢሉ። እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚታት [ኢሮን ኣፍኮንን] መብዛሕትኡ እቲ ጸርፊ፡ ዘለፋን ምፍርራሕን ካብ ደቂ ዓዶም ነቶም ተጻወትቲ ይመጽኦም ምንባሩ ገሊጹ። ብመሰረት እቲ ብፊፋ ዝወጽአ ጸብጻብ፡ እቲ ጸርፍን ዘለፋን 40 ሚእታዊት ጽልኣዊ ዘረባ 38 ሚእታዊት ከኣ ዓሌታዊ ጸርፊ ምንባሩ ይሕብር። ፊፋ እቶም ኣብ ልዕሊ ተጻወትቲ፡ ኣካየድቲ ጸወታን ጋንታታትን ከምዚ ዓይነት ዘለፋታት ዘውርዱ ሰባት ክፍለጡ ቀሊል ምዃኑ ብምግላጽ፡ ከምዚ ዓይነት ተግባር ንዝፍጽሙ ሰባት ንምፍላይ ይሰርሕ ምህላዉ ገሊጹ። እቲ ርእይቶ ሓንሳብ ምስ ተለለየ፡ ካልእ ሰብ ከም ዘይርእዮ ክግበር ምዃኑ’ውን ፊፋ ኣነጺሩ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cl471z3rm7no"} {"headline":"መቕዘፍቲ ሃሩር ኣብ ፈረንሳ","content":"ክቱር ሙቐት ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል ኤውሮጳ ዘውርዶ ዘሎ ሓደጋታት ስዒቡ፡ ምዕራባዊ ፈረንሳ \"መቕዘፍቲ ሃሩር\" የጋጥሞ ከም ዘሎ ክኢላታት ኣጠንቂቘም። ኣብ 15 ዞባታት ደቡባዊ ምዕራብ ሙቐት ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክበጽሕ ይኽእል እዩ። ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ምስ ባርዕ ኣብ ዝቃለስሉ ዘለው እዋን፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ድማ ካብቲ ቦታ ክወጹ ይግደዱ ኣለዉ። ኣብ ስጳኛ፡ ፖርቱጋልን ግሪኽን ዝተላዕለ ባርዕ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ንኽሃድሙ ኣገዲድዎም እዩ። ኣብ ገሊኡ ክፋላት ብሪጣንያ'ውን ዝለዓለ ሙቐት ከም ዝምዝገብ ትጽቢት ይግበር። ብሪጣንያ ንመጀመርታ ግዜ ናይ መወዳእታ ቀይሕ መጠንቀቕታ ሙቐት ሂባ ኣላ። ኣብዚ ቐረባ መዓልትታት ኣብ ፈረንሳ ብሰንኪ ዘጋጠመ ባርዕ፡ ካብ ከባቢኦም ንዝሃደሙ ልዕሊ 24,000 ሰባት፡ ህጹጽ መዕቈቢ ተዳልዩሎም እዩ። ብፍላይ እታ በጻሕቲ ዝበዝሕዋ ጊሮንድ ትበሃል ዞባ ፈረንሳ፡ ከቢድ ጕድኣት ወሪድዋ እዩ። መጥፋእቲ ሓዊ ካብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣትሒዙ ልዕሊ 14,000 ሄክታር መሬት ዘዕነወ ባርዕ ንምቍጽጻር ይቃለሱ ኣለዉ። ፕረዚደንት ዞባ ጊሮንድ ዣን-ሉክ ግለይዝ፡ ብሰንኪ ሃሩርን ንፋስን እቲ ባርዕ ኣብ ላ-ተስተ-ደ-ቡኽንላንዲራስን እናዓበየ ብምኻዱ መጥፋእቲ ሓዊ ንምቍጽጻሩ ከም ዘጸገሞም ንቢቢሲ ገሊጹ። \"ምስዚ እናዓበየን እናሰፍሐን ዝኸይድ ዘሎ ሓደሓደ ግዜ ኸኣ ኣመና ዝብርትዕ ዘሎ ሓዊ ክቃለሱ ግድን ኰይንዎም ኣሎ\" ይብል። ሓደ ክኢላ ስነ-ኣየር ነቲ ኩነታት \"መቕዘፍቲ ሃሩር\" ክብል ክገልጾ እንከሎ፡ ኣብ ገሊኡ ከባቢታት ደቡባዊ ምዕራብ ፈረንሳ፡ መጠንቀቕታ ንኽወሃብ ምኽንያት ይኸውን ኣሎ። እቲ ሃሩር፡ ንኻልእ ቦታታት ፈረንሳ እውን ይጸሉ ኣሎ። እታ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ብሪታኒ ትርከብ ከተማ ብረስት ዘለዋ ሙቐት 40 ዲግሪ ሰንቲግሬድ በጺሑ እዩ፤ እዚ ኸኣ ካብቲ ልሙድ ገምጋም ሙቐት ሓምለ ኣዝዩ ዝዛይድ እዩ። ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝርከባ ሓያሎ ከተማታት፡ ልዑል ሙቐት ከም ዝተመዝገበ እውን ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ክሊማ ገሊጹ እዩ። ኣብዚ ቐረባ መዓልታት ኣብ ስጳኛን ፖርቱጋልን ብሰንኪ እቲ ሃሩር ልዕሊ 1,000 ሰባት ከምዝሞቱ ይፍለጥ። ኣብታ ካብ ቀዳመ-ሰናብቲ ኣትሒዙ ብሓዊ ትነድድ ዘላ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣውራጃ ዛሞራ፡ ሬሳ ሓደ ጓሳ ተረኺቡ። ብሰንበት'ውን፡ 62 ዓመት ዝዕድመኡ ኣባል መጥፋእቲ ሓዊ ደሕሪ ምማቱ፡ ኣብ ዛሞራ ብሰንኪ ባርዕ ዘጋጠመ ካልኣይ ሞት ኰይኑ ተመዝጊቡ'ሎ። ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዞባ ካታሎንያ ኣብ ጥቓ ፖንት ደ ቪሎማራ ኣብ እትርከብ ቤት መርሴዴስ ፒኖ፡ ሃንደበት ባርዕ ሓዊ ተላዒሉ። \"ኣብ ዓራተይ እየ ነይረ፣ ብመስኮት ከኣ ኣዝዩ ቐይሕ መብራህቲ ረኣኹ\" ክትብል ሓንቲ ነባሪት ንመራኸቢ ብዙሓን ስጳኛ ገሊጻ። \"ብዝተኻእለኒ መጠን ቀልጢፈ ናብቲ ማዕጾ ጐየኹ፣ ሃልሃልታ ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ገዛና ዝነበረ መኪና ክንድዶ ከሎ ረኣኹ።\" ኣብ ካስቲላ ኢ ሊዮን፡ ጋሊሽያ፡ ካስቲል ኣንዳሉስያን ኤክስትሪማዱራ'ውን ሓዊ ተባሪዑ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ስጳኛ ዝነበረ ፔድሮ ሳንቸዝ፡ ሰኑይ ናብ ኤክስትሬማዱራ ከይዱ ነይሩ። \"ለውጢ ኵነታት ኣየር ከም ዝቐትል ፍሉጥ እዩ፡\" ይብል። \"ንሰባት ይቐትል፡ ስርዓተ-ኢኮ ይጐድእ፡ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣትክልትን እንስሳታትን ድማ ይቐትል።\" ሓሙስ መጠነ ሙቐት ፖርቱጋል 47 ዲግሪ ሰንቲግሬድ በጺሑ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ሓምለ ካብ ዝተመዝገበ ይዛይድ። ሓደ ሲሶ ካብቲ ቀንዲ መሬት ክሳዕ ሕጂ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዘሎ ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ሚትዮሮሎጂ ይገልጽ። እዚ ኸኣ ብሰንኪ ዳርጋ ኣብ ኵሉ ቦታ ዘሎ ከቢድ ወይ ክቱር ድርቂ እዩ። ብኣማኢት ዘቝጸሩ ሰባት ካብቲ ቦታ ግዒዞም እዮም። ሰበ-ስልጣን ከኣ እቲ ብ2017፡ 66 ሰባት ዝቐተለ ሓዊ ምእንቲ ኸይደገም ተጠንቂቘም ኣለዉ። እቲ ሃሩር ኣብዚ ቐረባ ሰሙናት ኣብ ገለ ክፋል ደቡባዊ ምዕራብ ኣውሮጳ ከጋጥም ንኻልኣይ ግዜ እዩ። ብሰንኪ ምህዞን ንጥፈታትን ደቂሰብ ዝተፈጥረ ዓለማዊ ክሊማዊ ለውጢ፡ ማዕበላት ሃሩር እናበዝሐ፡ እናኸበደን ነዊሕ እናጸንሐን ይኸይድ ኣሎ። ካብ ዘመነ ኢንዱስትሪያውነት ኣትሒዙ፡ ሙቐት ዓለም ድሮ ብ1.1 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ወሲኹ። መንግስታት ዓለም፡ እቲ ጠንቂ’ዚ ክስተት ዝዀነ ንጽገት ካርቦን ብዓቢይ መጠን ከም ዝንኪ እንተ ዘይገይሮም፡ ሙቐት ዓለምና እናበኣሰ ከም ዝኸይድ ይግለጽ። ኣብ ስጳኛ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ካስቲላ-ላ ማንቻ ዲን ትካል ኣከባብያዊ ስነ ፍልጠትን ባዮከሚስትርን ዝዀነ ኤንሪኬ ሳንቸዝ ድሕሪ ሓጺር እዋን ማዕበላት ሙቐት ልሙድ ከም ዝኸውን ንቢቢሲሓቢሩ። \"ውዒሉ ሓዲሩ ኣብ ዝቕጽል ዓመታት እቲ ሙቐት ክውስኸሉ ዘየኽእለሉ መገዲ ስለ ዘየለ እቲ ናይ ሙቐት ማዕበል ካብ ግዝ ናብ ግዝ ልሙድ እናዀነ ክኸይድ ኢዩ።... ኣብ መላእ ኣውሮጳ፡\" ይብል።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c25d58rkqqgo"} {"headline":"ኣብ ግጭት ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ኣብ ሓደ ለይቲ ከባቢ 100 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ መንጎ ጎረባብቲ ሃገራት ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ብዝተኻየደ ውግእ ከባቢ 100 ወተሃደራት ሞይቶም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣርመንያ ኒኮል ፓሺንያን 49 ወተሃደራቱ ብሓደ ለይቲ ብዝተፈጥረ ግጭት ከምዝሞቱ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰላሳ ዓመታት ክልቲአን ሃገራት ክልተ ኲናትን ስሩዕ ንኣሽቱ ግጭታትን ኣሕሊፈን እየን። ሩስያ እቲ ግጭት ደው ክብል ከምዘሸማገለት ትገልጽ። ኣርመንያ ግን እቲ ግጭት ሃዲኡ እምበር ምሉእ ብምሉእ ኣይተዛዘመን እያ ትብል። ጠንቂ ናይቲ ግጭት ዞባ ናጎርኖ-ካራባክ እዩ። ብመሰረት ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ዘለዎም ዶባት፡ እቲ ዞባ ኣካል ኣዘርባጃን ክኸውን እንከሎ እቶም ነበርቲ ግን ብሄሮም ኣርመንያውያን እዮም። እቲ ባህላዊ ምፍልላይ ኪኖ ፖለቲካ ናብ ሃይማኖት እውን ዝዝርጋሕ እዩ። ኣርመንያውያን ብቐንዱ ኣመንቲ ክርስትና ዝነብሩላ ሃገር ክትከውን እንከላ፡ ኣዘርባጃናውያን ድማ ብበዝሒ ኣስላም እዮም። እዚ ዘይምርድዳእ ኣብ 1980ታትን 1990ታትን ምሉእ ኲናት፡ ኣብ 2020 ንሽዱሽተ ሰሙናት ዝጸንሐ ኲናትን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ግጭትን ኣስዒቡ ኣሎ። ክልቲአን ሃገራት በቲ ዳሕረዋይ ግጭት ንሓድሕደን ይወቅሳ። ኣርመንያ፡ ጎረቤታ ኣብቲ ዶብ ኣብ ዝርከባ ሓያሎ ከተማታት ደብዳብ ምስፈጸመት ነቲ ምልዕዓል ምላሽ ከምዝሃበት ትገልጽ። ኣዘርባጃን ብወገና ብጎረቤታ ምትንኳያት ከምእተፈጸማ እያ ትሕበር። እቲ ግጭት ብሰኑይ ክውላዕ እንከሎ ሞስኮ፡ ካብ ሰሉስ ንግሆ ጀሚሩ ብቅልጡፍ ተኹሲ ደው ከብሉ ከምዘደራደረት ገሊጻ። ፕረዚደንት ኣርመንያ፡ ኒኮል ፓሺንያን ግን \"ጽዑቕ ተጻብኦታት’ኳ እንተነከየ፡ ኣዘርባጃን ትፍጽሞ መጥቃዕቲ ግን ኣብ ሓደ ወይ ክልተ ግንባራት ይቕጽል ኣሎ\" ኢሉ። ብሰሉስ፡ ገለ ወተሃደራታ ከምዝተቐተሉ ዝገለጸት ኣዘርባጃን ብወገና ኣርመንያ ነቲ ብሩስያ ዝተማእከለ ምቁራጽ ተኹሲ ከምዝጠሓሰት ከሲሳ። እቲ ኲናት ብደረጃ ዓለም ክኹነን እንከሎ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ \"ነቲ ግጭት ወተሃደራዊ ፍታሕ ክህሉ ኣይክእልን\" ኢሉ። እቲ ዝቕጽል ዘሎ ዘይምርድዳእ \"ብፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን መንገዲ ጥራይ ክፍታሕ ኣለዎ\" ትብል ብታሪኽ ምስ ኣርመንያ እትተኣሳሰር ሩስያ ድማ ክልቲኦም ወገናት ክሃድኡ ተማሕጺና። ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑዌል ማክሮን ንኣዘርባጃናዊ መዘንኡ ኢልሃም ኣሊየቭ ከዘራርብ እንከሎ \"ነቲ ምቁራጽ ተኹሲ ከኽብር\" ተማሕጺኑ። ምስ ኣዘርባጃን ርክብ ዘለዋ ቱርኪ ግን መግለጺ ኣዘርባጃን ዝደገፈት ትመስል። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ መቭሉት ካቩሶግሉ፡ \"ኣርመንያ ምትኹታኽ ደው ኣቢላ ኣብ ድርድር ሰላም ከተተኩር ኣለዋ\" ኢሉ። እቲ ብሰኑይ ምሸት ዝተኻየደ ውግእ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2020 ዝተኻየደን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝሞቱሉ ዝግመትን ግጭት እቲ ዝኸፍአ ከምዝኾነ ይእመን። እቲ ውግእ ብሽምግልና ሩስያ ደው ክብል እንከሎ ኣርመንያ ሰራዊታ ካብቲ ኣብ ከባቢ ናጎርኖ-ካራባክ ዝነበረ ዝተጎበጠ ከባቢታት ከምዝሰሓበት ይዝከር። ከም ኣካል ናይቲ ድርድር ናብቲ ከባቢ ዝተዋፈረ ኣስታት 2,000 ዝኸውን ዓቃቢ ሰላም ሩስያ ሎሚ'ውን ኣብኡ ይርከብ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c512j0p7z1yo"} {"headline":"ብዛዕባ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝዝቲ ኣኼባ ብምንቅጥቃጥ ምድሪ ተቛሪጹ","content":"ኣብ ሊቸንስታይን፡ ፖለቲከኛታት ብዛዕባ ውሕስነት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክትዕ የካይዱ ኣብ ዝነበርሉ ኣጋጣሚ፡ እቲ መአከቢ ኣዳራሽ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ስለዘጋጠሞ እቲ ኣኼባ ተቛሪጹ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/czvnnk28pz8o"} {"headline":"ኣብ ፖርቱጋል ኣብ ሓደ ጀርዲን ኣዝዩ ገዚፍ ዓጽሚ ዳይኖሰር ተረኺቡ","content":"ኣብ ፖርቱጋል  ኣብ ሓደ ጀርዲን ኣብ ኣውሮጳ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተረኸቡ እቲ ዝዓበየ ከምዝኾነ ዝተነገረሉ ኣዕጽምቲ ዳይኖሰር ተረኺቡ። እዚ ኣብ ማእከል ፖምባል እትብሃል ከተማ ኣብ ሓደ ጀርዲን ናይ ውልቀ ሰብ ዝተረኸበ ኣዝዩ ገዚፍ ኣዕጽምቲ ዳይኖሰር፡ ዋና እቲ ጀርዲን ኣብ 2017 ኣብቲ ጀርዲኑ ገዛ ንምስራሕ ኣብ ዝኹዕተሉ ዝነበረ እዋን’ዩ ተረኺቡ። እቲ ዓጽሚ ናይቶም ሳውሮፓድ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዓይነታት ዳይኖሰር እዩ። ዳይኖሰር ኣብ ዓለምና ካብ ዝነበሩ እንስሳታት እቲ ዝገዘፈ እንስሳ’ዩ። እዞም  ነዊሕ ክሳድን ነዊሕ ጭራን ዘለዎ እንስ፡ ኣግራብ ዝበልዑ ኮይኖም ብኣርባዕተ መሓውሮም’ዮም ዝጉዓዙ። ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ፡ ካብ ፖርቱጋልን ስፔይንን ዝተዋጽኡ ክኢላታት ስነ ኳዕቲ፡ ነቲ ኣብ 2017 ብሓደ ውልቀ ሰብ ዝተረኸበ ዓጽሚ ናይ ዳይኖሰር  ቀስ እናበሉ ብምኹዓት ዓንዲ ሕቆን መሰንገለን ናይቲ ዳይኖሰር ክረኽብዎ ክኢሎም ኣለዉ። ብመሰረት እቶም ተመራመርቲ ስነ ኩዕታ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ ዳይኖሰር 12 ሜትረ ቁመትን 25 ሜትሮ ጎድንን ዝነበሮ ኣዝዩ ገዚፍ እዩ ነይሩ። ኣዕጽምቲ ናይቲ ዳይኖሰር ኣብ ትሕቲ ደለልታ ናይ ኣኻውሕ ዝተረኸበ ኮይኑ ቅድሚ 150 ሚልዮን ዓመታት ብህይወት ዝነበረ ክኸውን ከምዝኽእል እቶም ክኢላታት ኣፈናዊ ግምቶም ሂቦም ኣለዉ። እቶም ክኢላታት ስነ ኩዕታ ብዛዕባ እቲ ዳይኖሰርን እቲ ኣዕጽምቱ ዝተረኸበሉ ቦታ ዝያዳ መጽናዕቲ ንምክያድ ተወሰኽቲ ዓለም ለኻውያን ክኢላታት ክጽንበርዎም ዕድመ ኣቕሪቦም ኣለዉ። እቶም ክኢላታት ምሉእ ኣካላት ናይቲ ዳይኖሰር ንምርካብ ኩዕቶኦም’ኳ ይቅጽሉ እንተሃለዉ ግዜ ከወስድ ከምዝኽእል ግን ሓቢሮም ኣለዉ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ሊዝበን ፖርቱጋልን ተመራማሪት ዝኾነት ዶክተር ኤሊዛቤት ማላፋያ “ኩሉ መሰናግላት ቅድሚ ሚልዮናት ዓመታት ናይ ዝሞተ እንስሳ ብኸምዚ ዝረኸብናዮ ክትረክብ ብዙሕ ዘይረአ ነገር እዩ” ኢላ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ckrz203jkpno"} {"headline":"ኣብ ተንጠልጣሊ ድልድል ዝፍስሁ ሰባት","content":"240 ሜትሮ ዝንውሓቱ ተንጠልጣሊ ድልድል ኣብ ጆርጅያ ስንጭሮ ዳሽባሺ'ዩ ተሃኒጹ። እቲ ድልድል ብቬትሮ ዝተሰርሐ ስለዝኾነ በጻሕቲ ተፈጥሮኣዊ ገጸ ምድሪ እቲ ስንጭሮ ብቐሊሉ ንምዕዛብ ዘኽእሎም'ዩ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3gd8nnzxkko"} {"headline":"ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ካብ ስልጣኑ ተሰናቢቱ","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ማሪዮ ድራጊ ዘይተመርጸ መራሒ ናይቲ ጥሙር መንግስቲ ኰይኑ ንሓደ ዓመትን መንፈቕን ድሕሪ ምግልጋሉ ካብ መዝነቱ ከምዝተሰናበተ ተፈሊጡ። ነዚ ቅድሚ ምውሳኑ፡ ሰለስተ ሰልፍታት እቲ ጥሙር መንግስቲ ከምዘይድግፍዎን ድምጺ ከምዘይህብዎን ምስ ኣረጋገጸ፡ ንፕረዚደንት ሰርጂዮ ማታሬላ ካብ ስልጣኑ ከምዝወርድ ነጊርዎ ነይሩ። እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ቀውዒ ምርጫ ክሳዕ ዝግበር መራሒ ኰይኑ ንኽጸንሕ ሓቲትዎ ኣሎ። መራሒት ሰልፊ የማናዊ ክንፊ እታ ሃገር፡ ጆርጅያ ሜሎኒድሮ ከምእትዕወት ትጽቢት ይግበር። ነቲ ኣብ 'ዩሮዞን' {ዞባ ኤውሮጳ] ዘጋጠመ ቕልውላው፡ ከም መራሒ ማእከላይ ባንክ ኤውሮጳ ኰይኑ ዝተጻወቶ ግደ፡ ‘ሱፐር ማሪዮ’ ብዝብል ክጽዋዕ ዝበቕዐ ወዲ 74 ዓመት ማርዮ ድራጊ፡ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ጽቡቕ ተቐባልነት ረኺቡ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ለካቲት እዩ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድን ዓበይቲ ቝጠባዊ ተሃድሶታትን ንኢጣልያን ክመርሕ ሓላፍነት ዝተዋህቦ። ሚስተር ድራጊ ናብቲ ኲሪናለ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፕረዚደንታዊ ቤተ - መንግስቲ ቅድሚ ምእታው፡ ታሕተዋይ ባይቶ ብድሙቕ ጣቕዒት እዩ ተቐቢልዎ። ንሱ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ንንግድን ስድራ ቤታትን ዝኸውን ቍጠባዊ ኣሰራርሓ ኣመልኪቱ ዘቕረቦ ውጥን፡ ብሓደ ካብቶም ኣብቲ ጥምረት ዘለው ሰልፍታት ምስ ተነጸገ እዩ ካብ ስርሑ ክሰናበት ምዃኑ ሓቢሩ። ፕረዚደንት ማታሬላ ስርሑ ንኽቕጽል ሓቲቱዎ እዩ። ሚስተር ድራጊ ግን ንዝተወሰኑ መዓልትታት ስቕ ድሕሪ ምባል ንላዕለዋይ ባይቶ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቶም ፖለቲካውያን ሰልፍታት ድልዱልን ጥሙርን መንግስቲ ንምድጋፍ ድሉዋት እንተድኣ ኰይኖም ከምዝቕጽል ተዛሪቡ።  \"እቶም ሰልፊታትን ንስኻትኩምን ነዚ ዳግም ንምህናጽ ድሉዋት ዲኹም?\" ክብል'ውን ሓቲቱ። ኢጣልያውያን ነቲ መልሲ ክፈልጡ ንዝተወሰነ ሰዓታት ትንፋሶም ሒዞም ተጸብዮም። ኰይኑ ግን ሰለስተ ካብቶም ሰልፍታት ከም ዘይድግፍዎ ኣፍሊጦም። ፕረዚደንት ማታሬላ፡ እቲ መንግስቲ ነዚ ሕጂ ዘሎ ጕዳያት ንምፍታሕ ኣብ ስልጣን ከም ዝቕጽል ብምግላጽ ንኽልቲኡ ባይቶታት ኣፍሪሱ። እቲ ቐጻሊ ምርጫ ኣብ መፋርቕ 2023 ክግበር እዩ ተሓሲቡ ነይሩ። ሕጂ ግን ኣብ ውሽጢ 70 መዓልቲ ምናልባት'ውን 25 መስከረም ክግበር ይኽእል እዩ። እቶም ካብቲ ፖለቲካዊ ቅልውላው ክኸስቡ ትጽቢት ዝግበረሎም ሊግ የማናዊ ክንፊን ማእከላይ የማን፡ ፎርዛ ኢታልያን ክዀኑ እንከለው፡ ክልቲኦም ኣብቲ ረቡዕ ምሸት ዝተገብረ ምሃብ ድምጺ፡ ንሚስተር ድራጊ ዕሽሽ ኢሎምዎ እዮም። ይዅን እምበር ኣብቲ ምርጫ ዝለዓለ ድምጺ ዝወሃቦ ዘሎ የማናዊ መርገጺ ዘለዎ ሰልፊ ‘ብራዘርስ ኦቭ ኢታሊ’ (FdI) እዩ። መራሒት እቲ ሰለፊ፡ ጆርጅያ ሜሎኒ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ክትከውን ከምእትኽእል ይግመት። ንሳ ኣባል ናይቲ ጥሙር መንግስቲ ኣይነበረትን፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከኣ ቅልጡፍ ምርጫ ንኽግበር ብተደጋጋሚ ጻውዒት ተቕርብ ነይራ። \"እዛ ሃገር እዚኣ ብኸመይ ክትመሓደርን፡ እንታይ ክትገብርን፡ ከምኡ'ውን እንታይ ዓይነት ስትራተጂ ኢንዱስትሪ ከምዝህልዋ ናይ ገዛእ ርእሰይ ሓሳባት ኣለኒ\" ትብል። ኣብ ኢጣልያን ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ናዕቢ፡ ኣብ ገሊኡ ሰልፊ ንዝነበሩ ምርኡያት ሰባት ከፋፊልዎም እዩ። ኣባል ፎርዛ ኢታሊያ ዝነበሩ ሚኒስተራት ሬናቶ ብሩኔታን ማሪያስተላ ገልሚኒን፡ ንሚስተር ድራጊ ዕሽሽ ንምባል ዝተገብረ ውሳነ ተቓዊሞም ካብቲ ሰልፊ ወጺኦም እዮም። እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ነዚ ቕልውላው እዚ ዘለዓዓለ ምንቅስቓስ፡ ‘ፋይቭ ስታር’ እውን ጕድለት ከም ዝረኣየ ገሊጹ እዩ። ሶቭ ኣሌማኖ ነቲ ሰልፋ ኣፍልጦ ከም ዘይትህብን እቲ ሕጂ ንኢጣልያ ዘጋጥማ ዘሎ ዘይምርግጋእ ከኣ፡ ነቲ ሕብረት ኤውሮጳ ዘውፍዮ ዝነበረ ገንዘብ ኣብ ሓደጋ ከም ዘእተዎን፣ ነቲ ዝግበር ዝነበረ ተሃድሶ'ውን ከም ዘሰናኽሎን ገሊጻ እያ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4n3d1vnz98o"} {"headline":"ማሕበራዊ ሚድያ ብኸመይ እዩ ንወዲ 13 ዓመት ኮተቴ ኣቕቲልዎ?","content":"ወዲ 13 ዓመት ኦሊ ስቲቨንስ፡ ኣብ ከተማ ሪዲን ኣብ ጥቓ ገዛኡ ኣብ ዝርከብ ግራት ብኻራ ተቐቲሉ። ወለዱ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ንዝግበር ዓመጽን ህውከትን ተቓሊዑ ከምዝነበረ ዝፈለጡ ግን ድሕሪ ምማቱ እዩ። ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ሞት ኦሊ ስቲፈንስ ዝነበሮ ግደ፡ መርሚራ ንቢቢሲ ፓኖራማ ጸብጻብ ዘቕረበት ማሪያና ስፕሪንግ፡ ሓደ ወዲ 13 ዓመት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዓመጽ ንዝመልኦ ቪድዮታትን ካራሩን ብኸመይ ክቃላዕ ከም ዝኽእል ትገልጽ። ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ኣማንዳ ስቲቨንስንን ስቱዋርት ስቲቨንስንን ወዶም ቴሌፎኑ ሒዙ ናብቲ 'ባግስ ቦተም' ዝበሃል ግራት ክኸይድ እንከሎ ንመወዳእታ ግዜ ይርእይዎ ከም ዝነበሩ ኣይተረድኡን። ድሕሪ 15 ደቓይቕ ኦሊ ተቐቲሉ። እንታይ ከም ዝተፈጥረ ሓበሬታ ዝተረኽበ ካብታ ሒዝዋ ዝወጽአ ቴለፎን እዩ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ፡ ክልተ ኰተቴ ኣወዳት እዮም ብኻራ ወጊኦ ቀቲሎምዎ። ኦሊ ናብቲ ግራት ከም ዝወጽእ ዝገበረት ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተፋለጥዋ ጓል እያ። ወዶም ምስቶም ኰተቴ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝገበርዎ ባእስን ጽልእን ምስ ረኣዩ፡ ወለዱ ኣዝዮም ሰንቢዶም። ማሪያና፡ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ሞት ኦሊ ዝነበሮ ግደን፣ ከምኡ ዝኣመሰሉ ደቂ 13 ዓመትን ናብ ከመይ ዝበለ ትሕዝቶታት ከም ዝቃልዑን ክምርምር ወሲነ ትብል። ነቲ ዛንታ'ውን ብኸምዚ ዝስዕብ ትጸውዮ። ስቱዋርት ኣብ ገዛኦም ከይደ ከዛርቦ ከለኹ፡ \"ብማሕበራዊ መራኸቢ ሃዲኖም ረኺቦም፡ ቀቲሎምዎ\" ኢሉኒ። \"ማሕበራዊ መራኸቢ በቲ ቕትለት ገበነኛ እንተዘይኰነ'ውን ካብ ቅትለት ከድሕኖ ኸኣ ኣይከኣለን፣ እምበር፡ ኦሊ ብህይወት ምተረፈ።\" ፖሊስ ቴምስ፡ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብቲ ቕትለት ግደ ስለ ዝነበሮ፡ ታሪኽ ኦሊ ጐሊሑ ከም ዝርአ ገሊጾም። ኣብ ተሌፎን እቶም ቀተልቲ ዝተረኸቡ ካራሩ፡ ምድንዳንን ዓመጽን ዝመልኦም ቪድዮታት፡ መርኣያ \"ጫፍ ናይቲ ጸገም\" ጥራይ ከም ዝዀኑ ይጥርጥሩ። ኣብ ክሊ'ቲ ዕድመ ዝውቱራት ኣብ ዝዀኑ ሓሙሽተ ማሕበራዊ መራኸቢታት ናይ ወዲ 13 ዓመት ናይ ሓሶት ኣካውንትታት ብምኽፋት፡ መንእሰያት 'ቲ ዕድመ እንታይ ይርእዩ ከም ዘለዉ ክምርምር ተበጊሰ። ንሓደ ዓርኪ ኦሊ ኣማኺርና፣ ኣብ ሪዲን ናይ ዝርከቡ ካልኦት መናእሰይ ኣካውንት'ውን ርኢና፣ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ብዝፈጠሮ ስእሊ'ውን ናይ ሓደ ወዲ 13 ዓመት ኮተቴ ኣካውንት ኣዳሊና። ሓደ ወዲ 13 ዓመት መንእሰይ፡ ካብ ስፖርት ኣትሒዙ ክሳብ ሙዚቃን ትሕዝቶታት ገበንን ዘለዎም ቪድዮታትን፡ ብኸመይ ከም ዝጽሎን እንታይ ክርኢ ከም ዝተባባዕን ወይ ከም ዝህንጠን ክንምንርምር ደሊና። ብዘይካ'ዚ እቶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝዝርግሑ ትሕዝቶታት፡ ምስቲ እቶም ንኦሊ ብምቕታል ገበነኛታት ኰይኖም ዝተረኸቡ ቘልዑ ዝዘርግሕዎ ቪድዮታት፡ ኣሳእልን ካራሩን ዝመሳሰል ነገር እንተሃልይዎም ክንምርምር ተበጊስና። ነቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝቐረበ ትሕዝቶ፡ ‘ላይክ’ን ‘ፈሎው’ን ብምግባር፡ ከምኡ’ውን ብመሰረት መበገሲ ድልየት ሕሳብና፡ ንኽልተ ሰሙን ዝኣክል ፈተነ ምስ ገበርና፡ ዝረኸብናዮ ውጽኢት ዘሰንብድ እዩ። ኣብታ መዓልቲ፡ ኦሊ ካብ ገዛኡ ክወጽእ እንከሎ፡ ኣደኡ ኣማንዳ ኣበይ ከም ዘሎ ክትፈልጥ ስለ ዝደለየት ኣብታ ተሌፎኑ ዘሎ ኣሰር ዘመላኽት መተግበሪ ሞባይል ንኽውልዕ ነጊራቶ። ኦሊ፡ ካብ ገዛ ዝወጽኣሉ መዓልቲ ሰንበት ስለ ዝነበረ፡ ንጽባሒቱ ወዳ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸይድ እዩ ትጽቢታ ነይሩ። ካብ ቤቱ ምስ ወጽአ ግን ነዊሕ ከይጸንሐ ማዕጾ ተዃሕኵሑ። ንኦሊ ዝፈልጦ ወዲ እዩ፤ ኣማንዳ ነቲ ንሱ ዝብሎ ዝነበረ ክትቅበሎ ኣይከኣለትን። \" 'ኦሊ ብኻራ ተወጊኡ ድዩ ዝብል ዘሎ?' ኢለ ሓሰብኩ፡\" ትብል። ስቱዋርትን ሓብቲ ኦሊን ተጓዮም ወጺኦም ምስ ከዱ፡ ኦሊ ብደም ጠልቅዩ ኣብቲ ግራት ውዲቑ ረኺቦምዎ። ኣማንዳ’ውን ጸኒሓ ስዒባቶም። \"ኢዱ ሒዘ ገዲፍካኒ ኣይትሙት ኢለ ተማሕጺነዮ\" ይብል ስቱዋርት። ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ሰባትን ፈተውትን ክሕግዙ እንተፈተኑ’ውን፡ ኦሊ ኣብቲ ግራት ድሮ ህይወቱ ሓሊፋ ነበረ። ስቱዋርት \"ኵል ሳዕ ኣእጋሩ ኣብ ጫፍ ዓራቱ ኣንጠልጢሉ ይርእዮ ስለ ዝነበርኩ፡ ከምኡ ጥራይ ይመስለኒ'ሞ፡ ኣእጋሩ ክርኢ እደሊ። ኣእጋሩ ክርኢ ዘይምኽኣለይ ኣዝዩ'ዩ ዘሕመኒ፡\" ብምባል ሓዘኑ ይገልጽ። እቲ ዝፈትዎ መጐልበቢኡ ሎሚ'ውን ኣብ ዓራቱ ይንጸፍ ኣሎ። ኣማንዳ ክሳብ ሎሚ፡ ምቁር ነገራት ዓዲጋ ናብ መደቀሲኡ ትወስድ። መደቀሲኡ ከተጽርየሉ እንከላ፡ እቲ መጽራዪ ማሽን ዝፈጥሮ ድምጺ ስለ ዝርብሾ ደስ ኣይብሎን ነይሩ። ስለ ዝዀነ፡ ኣማንዳ ሎሚ'ውን ከምቲ ልሙድ፡ 'ሓንቲ ደቒቕ ጥራይ' እናበለት ነቲ መደቀሲ ክፍሉ ተጽርዮ'ላ። ኦሊ ምስ ተቐትለ፡ ንጽባሒቱ ኣማንዳን ስቱዋርትን ተሌፎኑ ክርእዩ ከለዉ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተጻወቶ ኣሉታዊ ተራ ተገንዚቦም። “ዝደለኻዮ ትዛረበሉን ዝደለኻዮ ትገብረሉን ምስጢራዊ ዓለም እዩ። እዚ ዓለም ከም ዘሎን ኦሊ ድማ መጥቃዕቲ ከም ዝወረዶን ኣይንፈልጥን ኔርና፡\" ትብል። ነታ ተሌፎን ንኽምርምር ዝተመዘዘ ኣንዲ ሃዋርድ ኣቐዲሙ ከምኡ ዓይነት ነገር ከም ዝተራእየ ይገልጽ። 90% ናይቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ መርትዖ፡ ካብ ሞባይል ተሌፎናት ዝተረኽበ፡ ቈልዑ መሰኻኽር'ውን ዘየድለዮ መስርሕ እዩ ነይሩ ። \"ብብዝሒ እቲ ዲጂታዊ መርትዖታት ብሓቂ ተገሪምና ኢና\" ብምባል ይገልጽ። ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር እቶም ደቂ 13ን 14ን ዝዀኑ ክልተ ኣወዳት ገበነኛታት ተባሂሎም ክፍረዱ እንከለው፡ እኹል መርትዖታት ተረኺቡ ነይሩ። እታ ናብቲ ግራት ዝመርሓቶ ጓል 13 ዓመት'ውን ሰብ ብምቕታል ገበነኛ ተባሂላ ተፈሪዳ። ኣብተን ተሌፎናት ካብ ዝተረኽቡ መርትዖታት፡ ኣብ ኢንስታግራም ካራን ካልኦት በላሕቲ ነገራትን ዝሓዙ፡ ማስኬራ ተኸዲኖም ፊቶም ዝቐልዑ ሰባት ዘርኢ ስእልታት ይርከቡ። ብተወሳኺ'ውን ፖሊስ ምስ ቅትለት ኦሊ ዝተተሓሓዙ ኣወዳት ኣብ ንሓድሕዶም መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ዘርእዩ ቪድዮታት ረኺቡ። እዞም ቪድዮታት ኣብ ኢንስታግራምን ስናፕቻትን \"ብቓልዕን ብስሩዕን\" ከም ዝተርግሑ ኣንዲ ሃዋርድ ይገልጽ። ኣብ ስናፕቻት ዝተዘርግሐት \"patterning\" ዝተባህለ መጥቃዕቲ እተርኢ ቪድዮ፡ ናብ ቅትለት ኦሊ ዘምርሑ ክስተታት ዘብርሀት ነይራ። ሓደ መንእሰይ ክዋረድ ከሎ ብቪድዮ ተቐዲሑ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ክዝርጋሕ ከሎ፡ \"patterning\"  መጥቃዕቲ ይበሃል። ሓደ ሰብ ነቲ ቪድዮ ናብ ካልእ ክልእኮ እንከሎ ወይ መሊሱ ክዝርግሖን፡ ‘ሼር’ ክገብሮን እንከሎ ኸኣ ብኡ መጠን እቲ ውርደት እናተራብሐ ይኸይድ። ኦሊ ቅድሚ ሙማቱ ኣብ ዝነበሩ ሰሙናት፡ ሓደ ንእሽቶ ወዲ ክዋረድ እንከሎ ዘርኢ ቪድዮ ምስ ረኸበ፡ ናብ ዓቢይ ሓዉ ነቲ ወዲ ልኢኹ ከጠንቅቘ ፈቲኑ። እቶም ኣብቲ ጕጅለ ስናፕቻት ዝነበሩ ክልተ ኣወዳት፡ ነዚ ምስ ፈለጡ ተቘጢዖም። ቀንዲ መርማሪ ኣንዲ ሃዋርድ፡ እቶም ኣወዳት ኦሊ \"ከም ዝሓሰወሎምን ከም ዘቃልዖምን\" ስለዝሕሰብዎ፡ ናብ ቅትለት ከም ዘምርሖም ይገልጽ። ፖሊስ ካብቶም ክልተ ኣወዳት ብኣማኢት ዝቝጸር መዘኻኸሪ ድምጺ ስናፕቻት ረኺቡ እዩ። ኣብ ንሓድሕዶም ንኦሊ ብዛዕባ ምጥቃዕ ክመያየጡ ይስማዕ፤ እዚ ንምግባር ድማ ሓንቲ ጓል ክጥቀሙ ይፍትኑ። እታ ነዚ ክትገብር ፍቓደኛ ዝዀነት ጓል 13 ዓመት፡ ንኦሊ ብኣካል ትፈልጦ እያ። ምስቶም ክልተ ኣወዳት ግን ብማሕበራዊ መራኸቢ እያ ተላልያ። ኵላቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ'ኳ እንተ ነበሩ ኣብታ ኦሊ ዝተቐትለላ መዓልቲ እዮም ንመጀመርታ ግዜ ተራኺቦም። እቶም ኣብቲ ድምጺ ዝስምዑ ሰባት ዝጥቀምሉ ቋንቋ ዘሰንብድ እዩ። \"ኦሊ ጽባሕ ክትመውት ኢኻ\" ከምኡ'ውን \"ክሃርሞ ወይ ክወግኦ እየ\" ክብሉ ይስምዑ። እቲ ዘሰንብድ ቃና ድምጾም'ውን ዘይልሙድን ዝሑልን እዩ። ኣብ ሓደ መዘኻኸሪ ድምጺ፡ እታ ጓል \"[ወዲ 2] [ንኦሊ] ከመቻችኣሉ ደልዩ ኣሎ። ክሃርሞን ሓመድ ከስሕኖን እዩ\" ትብል። ስናፕቻት ነቶም መዘኻኸሪ ድምጺታት ፈጺሙ ዘስተውዓለ ኣይመስልን። ብመሰረት ፖሊሲ ስናፕቻት፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ውልቃዊ መልእኽቲ ወይ ናይ ድምጺ መዘኻኸሪ፡ ናብቲ ወብ ሳይት ሪፖርት ኣይልእኽን እዩ፣ እቲ ሰብ ጥራይ እዩ ከምኡ ክገብር ዝኽእል። እቲ ብፖሊስ ዝተኣከበ መርትዖ፡ ነቲ መስርሕ ፍርዲ እኹል እዩ። ኣንዲ ሃዋርድ ግን እቶም መንእሰያት ወትሩ ዓመጽ ንዝመልኦ ትሕዝቶ ዝተቓልዑ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ስግኣት ኣለዎ። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃደርስፊልድ ዝርከብ ማእከል 'ኣፕላይድ ክሪሚኖሎጂ ኤንድ ፖሊሲ' ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ነዚ ሓሳብ እዚ ዝድግፍ እዩ። ርብዒ ናይቲ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድመኦም ሰባት ዝፍጽምዎ ገበናት፡ ቀንዲ ረቛሒ ማሕበራዊ መራኸቢ እዩ። መብዛሕትኡ እዚ ዓመጽ'ዚ ብ ርክብ ኢንተርነት'ዩ ዝጅምር። ኣብቲ ቢቢሲ ዝገበሮ መርመራ፡ ኣብ ከተማ ሪዲን ዝርከቡ ደቂ 13 ዓመት መንእሰያት ዝከታተልዎ ትሕዝቶ ምስ ተኸታተልና፡ እቲ ዝፈጠርናዮ ኣካውንት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን፡ ካራሩ ዝሓዙ ሰባትን ንዕዳጋ ዝቐረቡ ካራሩን ከምኡ'ውን ዓመጽ ዘኽብሩ ቪድዮታትን ንኽርኢ ሐሳብ ቀሪቡሉ። እዚ ዘጋጠመ ኣብ ኢንስታግራም፡ ፈይስቡክን ዩትዩብንን እዩ። ኣብ ቲክቶክን ስናፕቻትን ከምኡ ኣየጋጠመን። ኵሎም እዞም ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ መንእስያት ጉድኣት ንኸይወርድ ከም ዝከላኸሉ እዮም ዝገልጹ። ንኢንስታግራምን ንፈይስቡክን ዝውንን ሜታ፡ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድመኦም መንእስያት፡ \"በላሕቲ ኣጽዋራት ንምሻጥ ወይ ንምግዛእ ዘወዓውዕ ትሕዝቶታት” ከይርእዩ ቀይዲ ከም ዝገብር ይገልጽ። ዩትዩብ፡ \"መንእሰያት ክቐድሕዎ ዝኽእሉ ጐዳኢ ወይ ሓደገኛ ተግባራት\" ዘጠቓልል ትሕዝቶ፡ \"ቀይዲታት ዕድመ ክውሰኸሉ ይኽእል እዩ፡\" ኢሉ። ኣብቲ ዝኸፈትናዮ ኣካውንት፡ ገደብ ዕድመ ዘለዎ ሓደ ቪድዮ ጥራይ እዩ ኣጋጢሙና። ገለ ካብቲ ካራታት ዝሓዘ ስእልታትን ቪድዮታትን፡ ምስቲ ኣብ ተሌፎን እቶም ቀተልቲ ኦሊ ዝተረኽበ ስእልታት ዝመሳሰል እዩ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ከምዚ ዝኣመሰለ ትሕዝቶ ዝዘርገሐ ሓደ ወዲ 13 ዓመት መንእሰይ፡ እንታይ ከም ዝጋጥሞ ክንፍትን ደለና። እቶም ዝኸፈትናዮም ናይ ሓሶት ኣካውንታት፡ ንስእልን ቪድዮን ካራሩ ምእንቲ ከይቃልዑ ብሕታዊ እዮም ተገይሮም። ኣብ ኢንስታግራም፡ ፈይስቡክን ዩትዩብን ከምኡ'ውን ኣብ ስናፕቻት ትሕዝቶ ካራ እንተዘርጋሕና’ውን ዋላ ሓንቲ ስጕምቲ ኣይተወስደን። ቲክቶክ ግን መምርሒ ስለዘየኽበረን ሓደገኛ ተግባራት ስለዘርኢን ነቲ ቪድዮ ኣልይዎ እዩ። እቲ ኣካውንት’ውን ክዓጽዎ ከም ዝኽእል መጠንቀቕታ ሂቡ። እዚ ድማ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድመኦም መንእሰያት ዝዝረግሕዎ ሓደገኛ ትሕዝቶታት ምፍላይን ምእላይን ከምዝክኣል ዘመላኽት እዩ። እቶም ናይ ሓሶት ኣካውንትታት ከም ዝዕጸው ገይርና ኢና። እቲ ዝገበርናዮ ምርመራ ካልእ ውጽኢት'ውን ኣርእዩና፤ ኣብቶም ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርግሑ ምልክታታት ድልየት፣ ግዜን ዕድመን ኣብ ግምት ዘእተዉ እዮም። ምልክታት ምዝርጋሕ፡ ሓበሬታ መንእስያት ዝጥቀሙ እንተዀይኖም ካብ ሓደገኛ ትሕዝቶታት'ውን ክከላኸልዎም ከም ዝኽእሉ የመልክት። ኵሎም እቶም ማሕበራዊ መራኸቢታት ብቕትለት ኦሊ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊፆም እዮም። ሜታ \"ሓደገኛ ትሕዝቶ ዘተባብዑ፡ ዘፈራርሑን ዓመጽን\" ከም ዘይፈቅድ፡ ከምኡ’ውን ከምቲ ኣብ ምርመራ ቕትለት ኦሊ ዝሓገዞ፡ \"ፖሊስ ዘካይዶ ምርመራ ንምሕጋዝ መስርሕ ከም ዘዳለወን” ገሊጹ። ዩትዩብ፡ መድረኹ \"ዓመጽ ንምትብባዕ ኣብ ጥቕሚ ከይውዕል ነረጋግጸሉ ጽኑዕ ፖሊሲታት” ዝብል ከምዘለዎ ሓቢሩ። ቲክቶክ፡ \"ተጠቀምትና ብፍላይ መንእሰያት ንምሕላው ‘እኹል እዩ’ ንብሎ ስራሕ የለን” ብምባል ተወሳኺ ፖሊሲታትን መሳርሒታትን ከምዘዳሉ'ውን ገሊጹ። ስናፕቻት፡ \"ምንሻው፡ ማህሰይቲን ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳትን ፍጹም ክልክል እዩ” ብምባል፡ \"ሚስጥራዊ መሳርሒታት ጸብጻብ ኣብቲ መተግበሪ ሞባይል” ከም ዝገብር ኣብ መርበብ ገጹ ሓቢሩ። ኣማንዳን ስቱዋርትን ካልኦት ደቂ 13 ዓመት መናእሰይን፡ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዘዕቝብ መልስን ፍታሕን ክረኽቡን ሓገግቲ ብሪጣንያ ኸኣ ነዚ ክጽውዑ እዮም ዝደልዩ። እቲ ንድሕነት ኢንተርነት ዝምልከት ሕጊ ንፓርላማ ቀሪቡ ኣሎ። ጸሓፊት ሃገር (Secretary of State) ናዲን ዶሪስ \"እዚ ሕጊ'ዚ ድሕነት ቈልዑን መናእሰይን ንምሕላው እዩ\" ትብል። ውጽኢት ናይቲ ዘካየድናዮ ምርመራ ክትርኢ እንከላ ኣይሰንበደትን። \"እዞም መድረኻት፡ ትሕዝቶ ካራ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ መንእሰያት ከም ዝዝርጋሕ ይፈልጡ እዮም። ነቲ ጕድለት ክእርምዎ'ውን ይኽእሉ እዮም፡\" ትብል ስቱዋርትን ኣማንዳን እቲ ኣብዚ እዋን ዘሎ ሕጊ፡ ንኦሊ ኣይመድሓኖን ኢሎም ይሓስቡ። ከምቲ እቲ ከፊትናዮ ዝነበርና ናይ ሓሶት ኣካውንት ንኽርእዮም ዝተጠቈሙ ቪድዮታት ኣሳእል ዓመጽን ካራሩን፣ ትሕዝቶታቶም ሕጋዊ'ኳ እንተዀነ፡ ዕድመ መናእሰይ ንምርግጋጽን፡ ንጐዳእቲ ትሕዝቶታት ንኸይቃልዑን ዘኽእል ዝያዳ ስራሕ ተሰሪሑ ክርእዩ ድልየት ኣለዎም። ዶሪስ ኣብ ቀረባ ግዜ ጐዳኢ ግን ከኣ ሕጋዊ ዝዀነ ትሕዝቶ ብንጹር ከምዝፍለ ትገልጽ። እንተዀነ እቲ ሕጊ፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ነዚ ጸገም ንኽፈትሑ ብኸመይ'ዩ ከገድዶም ዝኽእል? \"ነቲ ቐንዲ መሰረታዊ ስርዓት ናይቲ ሕጊ ምሕላው ዝቐለለ እመስለኒ።\" ትብል ዶሪስ። \"ቈልዑን መናእሰይን ኢንተርነት ንኽጥቀሙ ብሪጣንያ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ሃገራት ብዝበለጸ ውሕስነት ዘለዋ ሃገር ክትከውን ኣለዋ።\" መንግስቲ ኣብተን ሕጊ ዘየኽብራ ትካላት ከቢድ መቕጻዕቲ ከም ዘሕልፍ ተመባጺዑ ኣሎ። ዶሪስ \"ብቢልዮናት ፓውንድ ዝቝጸር መቕጻዕቲን ኣብ ከምዚ ዝበሉ ትካላት ዝሰርሑ ሰባት ብገበን ከምዝሕተቱ ናይ ምርግጋጽ ስልጣን ክህልወና እዩ፡\" ክትብል ተብርህ። እዚ ኸምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣማንዳ፡ ትካላት ማሕበራዊ መራኸቢ ነቲ ዘጋጥም ዘሎ ነገራት ከም ዘይቃወማ እምነታ ትገልጽ። ስቱዋርት ድማ፡ \"መኽሰብኩም ረስዑ፤ ቈልዑ ሕድሕድ ይቃተሉ ኣለዉ\" ይብል።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2md5550d7o"} {"headline":"ፍሉጥ ተጻዋታይ ቴንስ ሮጀር ፈደረር ካብ ውድድር ዓለም ክሰናበት ምዃኑ ኣፍሊጡ","content":"ፍሉጥ ተጻዋታይ ቴንስ ባይታ ሮጀር ፈደረር: ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ካብ ውድድራት ዓለም ክሰናበት ምዃኑ ኣፍሊጡ። እቲ ኣብ 20 ግራንድስላም ዝተዓወተ ስዊዘርላንዳዊ ፈደረር፡ ድሕሪ'ቲ ኣብዚ ወርሒ ዝካየድ ናይ ለንደን ውድድር ከቋርጽ መደብ ከምዘለዎ ገሊጹ'ሎ። ወዲ 41 ፈደረር፡ ብሰንኪ ዘጋጠሞ መጉዳእቲ ድሕሪ'ቲ ኣብ 2021 ዝተኻየደ ውድድር ዊምበልደን (ለንደን) ካብ ውድድር ወጻኢ'ዩ ኮይኑ ጸኒሑ። \"ናይ ኣካላተይ መልእኽቲ ንጹር'ዩ\" ዝበለ እቲ ኮኾብ ተጻዋታይ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብቲ ውድድር ብምጽንሑ፡ ኣካላቱ ካብዚ ንላዕሊ ክምጠጥ ከምዘይክእል ኣሚቱ። \"ኣብ ዝሓለፈ 24 ዓመታት፡ ኣብ ልዕሊ 1,500 ውድድራት ተሳቲፈ። ሕጂ ድማ፡ መዓስ ፕሮፈሽናል ውድድራተይ ክቋርጽ ከምዘለኒ ክውስን ኣለኒ\" ኢሉ። ኣብቲ ብትዊተር ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ \"ንጸወታ ቴንስ፡ የፍቅረኩም'የ፡ ኣይክገድፈኩምን'ዩ\" ክብል ካብቲ ስፓርት ከምዘይርሕቕ ቃል ኣትዩ። ኣብ ውድድራት ቴንስ ዓለም፡ እቲ 22 ዓወታት ዝተጓናጸፈ ስጳኛዊ ራፋኤል ናዳልን፡ 21 ዋናጩ ዝዓተረ ሰርቢያዊ ኖቫክ ጃኮቪች ጥራይ'ዮም ንፈደረር ዝሓልፍዎ። ወዲ 16 ዓመት እንከሎ ኣብ ፕሮፌሽናል ውድድራት ክሳተፍ ዝጀመረ ሮጀር ፈደረር፡ ኣብ 2003 ኣብ ዝተኻየደ ግጥማት ዊምበልደን ፈላሚ ግራንድስላም ተዓዊቱ። ንመወዳእታ ግዜ ግራንድስላም ዝተዓወተሉ ድማ እቲ ኣብ 2018 ዝተኻየደ ኣውስትራልያ ኦፐን እዩ ነይሩ። ወዲ 36 ብምባሩ ድማ፡ ኣብ ዓለም ካልኣይ ዝዓበየ ግራንስላም ዝተዓወተ ተጻዋታይ ምዃኑ ይፍለጥ። ዝብልዎ ዝጠፍኦም ኣዳለውቲ ናይቲ ፍሉጥ ውድድራት ዊምበልደን \"በይን ክንጅምሮ ኢና\" ድሕሪ ምባል፡ ንፈደረር ዘለዎም ናእዳ ገሊጾም። እቲ ዜና ድሕሪ ምውጽኡ ድሮ ካብ ብዙሓት ኣፍቀርቲ ቴንስን ደገፍቱን፡ ናይ ሞሳን ሓበንን መልእኽትታት ክውሕዝ ጀሚሩ'ሎ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/ceql655560xo"} {"headline":"ቀታሊ ዮርዳኖስ ብርሃነ ነቲ ገበን ክፍጽም እንታይ'ዩ ደፊእዎ?","content":"ጓል 19 ዓመት ኤርትራዊት ስደተኛ ዮርዳኖስ ብርሃነ ኣብ መወዳእታ ሓምለ 2021 ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ተቐቲላ ምርካባ ንብዙሓት ዘሰንበደን ዘቖጠዐን ገበን'ዩ ነይሩ። ዮርዳኖስ ኣብቲ ኣብ ከተማ በርሚንግሃም ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኣ'ያ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ብስሕለት ተቐቲላ ተረኺባ። ፖሊስ ብዘካየድዎ መርመራ፡ ቀታሊኣ፡ ዮርዳኖስ ድሌታቱ ንምፍጻም ፍቓደኛ ስለ ዘይኮነት ብኻራ ከምዝቐተላ ክግለጽ እንከሎ፡ ብውሕዱ 21 ዓመታት ማእሰርቲ ተበይንዎ። ጓል 19 ዓመት ዮርዳኖስ ብርሃነ፡ ብ31 ሓምለ 2021 እያ፡ ኣብ ኡነት ስትሪት፡ ሆክሊ፡ በርሚንግሃም፡ ኣብ ገዝኣ ብካራ ተወጊኣ ሞይታ ተረኺባ። ብመሰረት ናብቲ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ሓበሬታ፡ ሓለፎም ወልደዮውሃንስ ዝተባህለ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ዮርዳኖስ ምስኡ ፍቕራዊ ስምዒት ከምዘይብላ ምስነገረቶ ሓሪቑ ከምዝቐተላ’ዩ ገሊጹ። እቲ ወዲ 26 ዓመት መንእሰይ \"ንዮርዳኖስ ኣዝዩ ይደልያ\" ከም ዝነበረ እቲ ነቲ ብይን ዝሃበ ዳኛ በርሚንግሃም ገሊጹ። እቲ  ሳይሞን ድሪው ዝተባህለ ዳኛ፡ ንሓለፎም ወልደዮሃንስ ከምዚ ኢልዎ፡ \"ብሕርቃን ኣዚኻ ከምእተፍቅራ ምስ ገለጽካላ፡ ንሳ ብትሕትና ከም ዘይተፍቅረካ ብምግላጽ ነጺጋትካ። ሽዑ ስምዒትካ ምቁጽጻር ስኢንካ ኣጠቂዕካያን ቀቲልካያን”። ወይዘሪት ዮርዳኖስ፡ ግዳይ ጨካን ጎነጻዊ ቅትለት ከምዝኾነትን ሓለፎም ነቲ ተግባር ኮነ ኢሉ ከምዝፈጸምን እውን እቲ ዳኛ ሓቢሩ። ጎረባብቲ ዮርዳኖስ ኣውያት ምስ ሰምዑ ናብ ፖሊስ ክሕብሩ እንከለው፡ ሰራሕተኛታት ኣምቡላንስ ናብቲ ስፍራ ቀዲሞም እኳ እንተበጽሑ፡ ኣባላት ፖሊስ ክሳዕ ዝመጹ ን30 ደቃይቕ ከምዝተጸበዩ፡ ብድሕሪኡ ናብቲ ገዛ ምስ ኣተው፡ ዮርዳኖስ ብደም ጨቅያ ከምዝረኸብዋን ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ህይወታ ምሕላፉን ተገሊጹ። ኣብ ቤት ፍርዲ፡ ሓያሎ ኣባላት ስድራ ቤት ወይዘሪት ዮርዳኖስ ነቲ ብዓብዪ ሓዋ ክብሮም ብርሃነ እተዳለወ ናይ ሓዘን መግለጺ ሰሚዖም። ሓብቱ ብኹሎም ቤተሰባን ብማሕበረሰብን ኣዝያ ፍትውቲ ምንባራ ሓቢሩ። “[ዮርዳኖስ] ኣዝያ ሕያወይቲ፡ ወትሩ እወንታዊ ኣረኣእያ ዘለዋ፡ ብዓቕማ ንሰባት ክትሕግዝ እትተግህ እያ” ድሕሪ ምባል፡ ሕጂ ብሞታ ብልዕን ድቃስን ከምዝሓረሞን ብጭንቂ ይሳቐ ከምዘሎን ተዛሪቡ። \"እቲ ንስድራ ቤትና ኣጋጢሙና ዘሎ ነገር ልዕሊ ዓቕምና ከቢድን መሪርን እዩ። ክንርድኦን ኽንቅበሎ ኣይንኽእልን ኢና፣ ወትሩ ንበክን ንሳቐል ኣሎና\" ኢሉ። ካልእ ሓዋ፡ ኣብ ኣፍደገ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ከኣ ንሓፍቶም ወይዘሪት ዮርዳኖስ ዝቐተለ ሰብ ን21 ዓመት ጥራሕ  ክእሰር ፍትሓዊ ከምዘይኮነ ሓቢሩ። ገዛኢ ብርሃነ ከበዶም፡ \"[በቲ ፍርዲ] ኣይተሐጐስኩን፡ ዮርዳኖስ ንፍዕቲ እያ ነይራ። ንሓፍተይ ጎዲኡ፡ ህይወታ ወሲዱ እዩ፤ እዚ እኹል ኣይኰነን \" ኢሉ ። ወይዘሪት ዮርዳኖስ ጓል 15 ዓመት እንከላ፡ ካብ ኤርትራ ሃዲማ ኣብ ኤውሮጳ ዑቕባ ሓቲታ። ኣብ 2020 ከኣ ንበርሚንግሃም መጺኣ ተሓጕሳ ክትነብር ጀሚራ። ሓለፎም ወልደዮሃንስ እውን ኣብ 2020’ዩ ካብ ግዱድ ዕስክርና ሃዲሙ ካብ ኤርትራ ናብ ዓዲ-እንግሊዝ ኣትዩ። ብቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጕዳያት ዑቕባ ተፈቒዱሉ ክነብር ከምዝጀመረ እቲ ቤት ፍርዲ ተሓቢሩ። ዳኛ ሳይመን ድሬው፡ ሓለፎም ንዮርዳኖስ ንብዙሕ ዓመታት ከም ዝፈልጣን ኣብ ሓንቲ ቚሸት ከምዝዓበዩን ንሓደ መሓዛኡ ከምዝነገሮ ሓቢሩ። ኣብቲ ናብ ቅትለት ዘምርሐ እዋን፡ ሓለፎም ንዮርዳኖስ ሓደ ካብ መሓዙታ ተመሲሉ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ልኢኹላ ምንባሩ ኣኽባር ሕጊ ክሪስቶፈር ኲንላን ተዛሪቡ። ንሱ ኣብቲ መልእኽትታት፡ ዮርዳኖስ ነቲ ሰብ ዝኾነ ፍቕራዊ ዝንባለ እንተለዋ ሓቲትዋ። እቲ መልኽትታት ንዮርዳኖስ ከቖጥዓ እንከሎ ብድሕሪኡ ኣብ ዝገበርዎ ናይ ቴለፎን ዝርርብ ሓለፎም፡ ነቲ ናይ ጽሑፍ መልእኽትታት ባዕሉ ከምዝጸሓፎምን ይቕሬታ ክሓታ ከምዝደልን ነጊርዋ። ሓለፎም ወልደዮሃንስ ንዮርዳኖስ ብቐጻሊ ከምዘፍቅራ ይነግራ እኳ እንተነበረ ንሳ ግን ከም ኣሕዋት ምዃኖም እያ ትነግሮ ነይራ። ወይዘሪት ዮርዳኖስ፡ ንሓለፎም ይቕረ ከም ዝበለትሉ ብምሕባር፡ ይቕሬታ ንምሕታት ናብኣ ምምጻእ ከምዘየድልዮ ከምዝነገረቶ ኣኽባሪ ሕጊ ሓቢሩ። ሓለፎም ኣብ እንዳ ዮርዳኖስ ምስ በጽሐ ግና፡ ነታ ለይቲ ክሓድር ስለዝተረዳድኡ፡ ኣብቲ ሓባራዊ ቤት ካልእ ዝድቅሰሉ ካልእ ክፍሊ ክትደልየሉ ፈቲና። ሰዓት 02:31 ናይ ለይቲ፡ ዮርዳኖስ “ተሻቒለ ኣለኹ” ጽንሕ ኢላ ከኣ “ኣበይ ኣለኺ” ዝብል ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ንሓንቲ ጎረቤታ ከምዝለኣኸት ሚስተር ኲንላን ገሊጹ። ካብ ከባቢ ሰዓት 05:30 ክሳብ 06:00 ናይ ንግሆ ኣብ ዝነበረ እዋን ጎረቤታ ኣውያት ሰሚዓ ምስ ወጽአት ሓለፎም ክሓንቃ ክጋደል ረኺባቶ። ንሳ ሓገዝ ክትረክብን ፖሊስ ክትጽውዕን ከይዳ። ኣብ መንጎ እዚ፡ ሓለፎም ካብቲ ስፍራ ብምህዳም ናብ ሸፊልድ ክምለስ እንከሎ፡ ድሕሪኡ ኣብ ስቶክ-ኦን-ትረንት ምስ ሓደ መሓዛኡ ተቐሚጡ። መሓዛኡ፡ ዮርዳኖስ ብርሃነ ከም እተቐትለት ዝገልጽ ዜና ምስ ረኣየ፡ ንፖሊስ ሓቢሩ። ሓለፎም ወልደዮውሃንስ ብ1 ነሓሰ 2021 እዩ ካብ እንዳ መሓዛኡ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። ነቲ ቅትለት ከምዝፈጸሞ ከኣ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ  ቀዳመይቲ መዓልቲ ተኣሚኑ። ኢንስፐክተር ፖሊስ ዌስት ሚድላንድስ፡ ጂም ማሆን፡ ቅትለት ወይዘሪት ዮርዳኖስ ብርሃነ ነታ ስድራ ቤትን ሕብረተሰብን ኣዝዩ ዘሕዝን ምንባሩ ገሊጹ። \"ካብ ሃገራ ወጺኣ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ መጺኣ፡ ስራሕ ረኺባ፡ ቅሳነት ተሰሚዑዋ ክትነብር ዝጀመረት ዮርዳኖስ ንፍቕሩ ብዘይተቐበለቶ ሓደ ቀናእን ቍጡዕን ዓመጸኛን መንእሰይ ህይወታ ተቖጽዩ” ኢሉ። ንሱ ወሲኹ፡ \"ኣብታ ንግሆ እቲኣ እንታይ ከም ዘጋጠመ፡ እቲ ንሓያሎ ዓመታት ክእሰር ዝተፈርዶ ሓለፎም ወልደዮሃንስ ጥራይ እዩ ብልክዕ ዝፈልጥ።\" ፖሊስ ዌስት ሚድላንድስ ኣብታ ዮርዳኖስ ዝተቐተለትላ ንግሆ፡ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ሓበሬታ ምስ በጽሖ፡ ብቕልጡፍ ናብቲ ስፍራ (እንዳ ዮርዳኖስ ብርሃነ) ክርከብ ዘይከኣለሉ ምኽንያት መርመራ ይገብር ከም ዘሎ ተፈሊጡ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cxrenr5zy91o"} {"headline":"ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ብዘንበረቶ እገዳ 400 ቢልየን ዶላር ክትስእን እያ - ቭላድሚር ፑቲን","content":"ፕረዚደንት ሩስያ፡ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ኣንቢረንኦ ዘለዋ እገዳ “ጽሉልን ዘይተሓሰበሉን’እዩ” ክብል ኮኒኑ። ንሱ ኣብ ከተማ ሰይንት ፒተርስበርግ ኣብ ሓደ ዋዕላ ኣብ ዘስምዖ ቃል “ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተገበረ ቁጠባዊ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ካብ ፈለምኡ ናይ ምዕዋት ተኽእሎ ዘይብሉ እዩ” ኢሉ። እቲ ቀይድታት ዝያዳ፡ ነቶም ዘንበርዎም ወገናት ዝጎድእ ምዃኑ’ውን ተዛሪቡ። ሩስያ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ድሕሪ ምፍጻማ፡ ሃገራት ምዕራብ ንቁጠብአን ብዘይሃሲ መገዲ ንሩስያ ክቐጽዓ ክፍትና ጸኒሐን ኣለዋ። ኣብቲ ዓመታዊ ዝካየድ ዓለምለኻዊ ቁጠባዊ ዋዕላ ሰይንት ፒተርስበርግ ዝተረኽበ ፕረዚደንት ፑቲን ግና ኣውሮጳዊ ሕብረት ብምኽንያት እቲ ኣንጻር ሩስያ ዝተነበረ እገዳታት ልዕሊ 400 ቢልየን ዶላር ክስእን ከምዝኽእል ሓቢሩ። ኣብ መላእ 27 ሃገራት እቲ ሕብረት ዝቕባበ ሰማይ ይኣርግ ከምዘሎ ብምግላጽ ከኣ፡ ኣብ ኣውሮጳ እቲ ሓቀኛ ረብሓ ናይ ህዝቢ ተጎስዩ ምህላው ገሊጹ። እንታይ ማለቱ ምዃኑ ግና ኣየነጸሮን። እንተኾነ ግና ሰብ መዚ ሞስኮ፡ ቁጠባ ሩስያ ብሰንኪ እቲ እገዳታት ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከምዘሎ እዮም ክዛረቡ ጸኒሖም። ኣመሓዳሪት ማእከላይ ባንክ ኤልቪራ ናቢዩሊና፡ ብሰንኪ እቲ ኣህጉራዊ ስጉምትታት “ድምር ጃምላዊ ፍርያት እታ ሃገር ብ 15%” ተጸልዩ ከምዘሎ ሓቢራ። ንሳ ኣብቲ ብሓሙስ ዋዕላ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ንቡር ናይ ምምላስ ተኽእሎ ትሑት ምዃኑ ሓቢራ። ኣብታ ሃገር ዝዓበየ ኣለቃሒ ናይ ዝኾነ ስበርባንክ ሓላፊ ብወገኑ ብዓርቢ ኣብ መብርሂ ቁጠባ ሩስያ ኣብ 2021 ናብ ዝነበረሉ ኩነታት ንምምላስ ልዕሊ 10 ዓመታት ክወስድ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ። እቲ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ ዓበይቲ ትካላት እታ ሃገር ናብ ሃገራት ወጻኢ የቋምቱ ከምዘለው ዝገልጽ ጸብጻባት ይወጽእ እኳ እንተሎ፡ ፑቲን ግና ተስፋታት ክህቦም ብምፍታን፡ ሕጂ’ውን ማዕጾኡ ንኣውፈርቲ ክፉት ምህላው እዩ ገሊጹ። “ኣብዚ ኣውፍሩ። እቲ ዝሓሸ ውሕስነት ኣብ ገዛኹም እዩ ዘሎ። እቶም ነዚ ክሰምዑ ዘይደለዩ፡ ኣብ ወጻኢ ሚልዮናት ከሲሮም እዮም፡” ኢሉ። ንሱ ወሲኹ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ዩክረይን ቀጺሉ ዘሎ ኲናት ዝተፈጠረ ዓለምለኻዊ ሕጽረት ቀረብ መግቢ ብዝምልከት፡ ሩስያ ንዕዳጋታት ዓለም ዝቐርብ ኣእኻልን ድዅዕን ብልዑል መጠን ክትውስኽ ከምእትኽእል ተዛሪቡ። ሃገሩ ንቀረብ ምህርቲ እኽሊ ብ50 ሚልዮን ቶን ክብ ናይ ምባል ዓቕሚ ከምዘለዋ’ውን ገሊጹ። ዩክረይንን ኣብ ቀረብ እኽሊ ዕዳጋታት ዓለም ምስ ሩስያን ኣብ ቅድሚት እትጥቀስ እኳ እንተኾነት ብሰንኪ እቲ ኲናት ወደባት ጸሊም ባሕሪ ተዓጽዩ ብምህላው ክተሰድድ ኣይከኣለትን። ብዓርቢ ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ሰቨሮዶነስክ ከቢድ ኲናት ቀጺሉ ውዒሉ። ወተሃደራት ሩስያ ንከተማታት ሰቨሮዶነስክን ሊስቻንስክን ንምቁጽጻር ንሰሙናት ክፍትኑ ጸኒሖም ኣለው።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c51dxkr7w57o"} {"headline":"ሊዝ ትራስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ ክትከውን ተመሪጻ","content":"ሊዝ ትራስ መራሒት ዓቃባዊ ሰልፊ ብሪጣንያ ኮይና ብምምራጻ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ክትከውን'ያ። እታ ጸሓፊት (ላዕለወይቲ ሚኒስተር) ጉዳያት ወጻኢ ኮይና ከተገልግል ዝጸንሐት ትራስ፡ ነቲ ጽባሕ ስልጣኑ ዘረክብ ቦሪስ ጆንሰን ብምትካእ'ያ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ክትከውን። ንሳ፡ ነቲ ቻንስለር ፋይናንስ ዝነበረን ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ካብ መዝነቱ ዝወረደን ሪሺ ሱናክ ብምስዓር'ያ ተመሪጻ ዘላ። ኣብቲ ኣባላት ዓቃባዊ ሰልፊ ዝሃብዎ ድምጺ፡ ሊዝ ትራስ 57 ሚእታዊት ብምርካብ'ያ ተዓዊታ። እቲ ዓቃባዊ ኣባል ፓርላማ ዝኾነ ሱናክ በወገኑ፡ 43 ሚእታዊት ድምጺ ረኺቡ። ጓል 47 ዓመት ሊዝ ትራስ፡ ጽባሕ ሰሉስ ብወግዒ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብምዃን ስልጣን ክትርከብ'ያ። ኣብታ ታሪኽ ሃገር ቀዳመይቲ ሚኒስተር ክትከውን ዝበቕዐት ሳልሰይቲ ጓልኣንስተይቲ እያ። ቅድሚኣ ዝነበራ ቀዳሞት ሚኒስተራት፡ እታ ቦሪስ ጆንሰን ዝተከኣን ንሰለስተ ዓመታት ዝመርሐት ተሬዛ መይን፡ ኣብ 1979 ናብ ስልጣን ዝደየበትን ክሳብ 1990 ኣብ ስልጣን ዝነበረትን ማርጋሬት ታቸርን እየን። ኣብታ ሃገር ዓቢ ቅልውላው ከይፈጥር ተሰጊኡ ዘሎ ናህሪ ወጻኢታት ጸዓት ቀዳምነት ሂባ ክትሰርሓሉ ምዃና ትራስ ቃል ኣትያ'ላ። ድሕሪ ምዕዋታ ኣብ ዘስምዓቶ መደረ፡ ነቲ ዓቃባዊ ሰልፊ ኣብ ምርጫ 2019 ዝኣተዎ መብጻዓታት ብምትግባር፡ ኣብቲ ኣብ 2024 ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ ንሰልፊ ዕዮ ንምስዓር ክትጽዕት ምዃና ተዛሪባ። ኣብ መደረኣ፡ ነቲ ካብ ስልጣኑ ዝወርድ ዘሎ \"መሓዛይ\" ዝበለቶ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ዘለዋ ናእዳ ብምግላጽ፡ \"ካብ ኪቭ ክሳብ ካርልኣይል ዝድነቕ'ዩ\" ክትብል ኣመጒሳቶ። \"ቦሪስ፡ ብረክዚት ፈጺምካዮ፡ ንጀረሚ ኮርቢን [መራሒ ሰልፊ ዕዮ ነበር] ስዒርካዮ፡ ክታበት ኣዊጅካን፡ ኣብ ቅድሚ [ፕረዚደንት ሩስያ] ቭላድሚር ፑቲን ደው ኢልካን ኢኻ\" ኢላቶ። \"ግብሪ ብምጉዳልን ቁጠባና ብምዕባይን. . .ከም ዓቃባዊት ከመሓድር'የ\" ክትብል'ውን ኣዊጃ። \"ንወጻኢታት ተጠቀምቲ ብምቁጽጻር ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ቀረብ ጸዓት ዘለና ናይ ነዊሕ-እዋን ጉዳያት እንኮላይ ኣብ ግምት ብምእታው ዘሎ ቅልውላው ጸዓት ክፈትሖ'የ\"። ብዘይካ'ዚ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፉ 40 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ልዑል መጠን ዝቕባበ ንምግታእ፡ ናይ ኣስታት 30 ቢልዮን ፓውንድ ግብሪ ዘጉድል ባጀት ከተቕርብ ምዃና ቃል ኣትያ'ላ። መራሒ ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ ዕዮ ኪር ስታርመር ብወገኑ፡ እታ ሓዳስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር መሓዛ ሸቃሎ ኣይኮነትን ክብል ድሕሪ ምንቃፉ፡ ዋጋ ጸዓት ደረት ክትገብረሉን፡ ኩባንያታት ብሕቲ ዝያዳ ግብሪ ክኸፍሉ ክትገብርን ጸዊዑ'ሎ። ጉዳይ ናይቲ ብሩስያ ዝተኣወጀ ኲናት ዩክረይን'ውን ሓደ ካብ ዓበይቲ ብድሆታት ሊዝ ትራስ ክኸውን'ዩ። ብሪጣንያ፡ ንዩክረይን ርእሳ ንምክልካል ወተሃደራዊ፡ ገንዘባውን ሰብኣውን ደገፋት ክትህባ ምጽንሓ ይፍለጥ። ዓቃባውያን ቀዳሞት ሚኒስተር ዝነበሩ፡ ተሬዛ መይን ዴቪድ ካሜሩንን ነታ ሓዳስ መራሒት ዮናኦም ገሊጾም ኣለዉ። እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ '10 ዳውኒስትሪት' ዝሰናበት ዘሎ ቦሪስ ጆንሰን፡ ባዕሉ ንዝኣወጆ እገዳታት ኮቪድ-19 ጥሒሱን፡ ብጾታዊ ምስርጣይ ንዝተኸሰሰ ሓደ ኣባል ባይቶ ዓቃባውያን ተኸላኺልሉን ብዝብል'ዩ ካብ ስልጣኑ ክወርድ በቲ ሰልፊ ተወሲንሉ። ቅድሚ ሰለስተ ዓመት፡ ንዓቃባውያን መሪሑ፡ ድሕሪ 1987 ኣብ ምርጫ ዝዓበየ ዓወት ዘመዝገበ ጆንሰን፡ እታ ሃገር ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ከትወጽእ'ውን ዓቢ ግደ ዝነበሮ'ዩ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c1v44zyyxnko"} {"headline":"ሩስያ፡ 'ጎርባቸቭ ታሪኽ ዝቐየረ'ዩ፡ ብዛዕባ ዝምድና ምስ ምዕራብ ግን ተጋግዩ'ዩ'","content":"ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ዝዓረፈ ናይ መወዳእታ መራሒ ሕብረት ሶቬት ነበር ሚካኤል ጎርባቸቭ \"ኣብ ታሪኽ ገዚፍ ጽልዋ\" ከምዝገደፈ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ገሊጹ። ጸግናታት ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ዝተረድአ መራሒ ምንባሩ'ውን ፑቲን ኣፍልጦ ሂብዎ። ጎርባቸቭ ብወግዓዊ ሃገራዊ ስነስርዓት ከይቅበር ዝወሰነ ፑቲን፡ ኣብቲ ዝግበር ናይ ቀብሪ ስነስርዓት ከምዘይሳተፍ ቤት ጽሕፈቱ ኣፍሊጡ'ሎ። ኣብ ወግዓዊ ስነስርዓት መራሕቲ ዓለም ክዕድም ኣለዎ። ኣፈኛ ቤተመንግስቲ ክረምሊን ግና፡ ጎርባቸቭ ምስ ሃገራት ምዕራብ \"ዘልኣለማዊ ፍቕሪ\" ክህሉ ምሕሳቡ ግጉይ'ዩ ነይሩ ክብል ይነቕፎ። ሚካኤል ሰርገይቪች ጎርባቸቭ ኣብ 1985 እዩ መራሒ ናይታ ኣብ 1991 ዝፈረሰት ሕብረት ሶቬት ብምዃን ስልጣን ተረኪቡ። ነታ እናተዳኸመት ትኸይድ ዝነበረት ብዴሳዊ ሰልፊ ትምራሕ ዝነበረት ሕብረት ሶቬት ንምሕያል ጸገናታት'ኳ እንተካየደ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ካብ ምፍራስ ከድሕና ኣይክኣለን። ብዙሓት ሩስያውያን ድማ በቲ ድሕሪ ሃንደበታዊ ውድቀት ዝሰዓበን ንዓመታት ዝቐጸለን ቅልውላው ይኸስዎ። ፕረዚደንት ፑቲን፡ ድሕሪ ሞቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ \"ጸግናታት ከምዘድሊ ኣጸቢቑ'ዩ ተረዲኡዎ፣ ነቲ ዝነበረ ህጹጽ ጸገማት ናይ ባዕሉ ፍታሓት ንምርካብ ጽዒቱ\" ኢሉ። ኣብ መንጎ ጎርባቸቭን ፑቲንን ዝነበረ ርክብ ኣብ ዳሕረዎት ዓመታት እናሓርፈፈ ምምጽኡ ይፍለጥ። ንመወዳእታ ግዜ ብኣካል ዝተራኸብሉ ኣብ 2006 ምንባሩ'ውን መርኣያ ናቱ'ዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ፑቲን ንዩክረይን ምውራሩ'ውን ንጎርባቸቭ ባህ ከምዘየበሎ'ዩ ዝግለጽ፡ ዋላ'ኳ ኣብ 2014 ኣብ ልዕሊ'ታ ኣካል ዩክረይን ዝነበረት ዞባ ክሪሚያ ዝተኻየደ ጎበጣ እንተደገፈ። ኣፈኛ ፕረዚደንት ሩስያ ዝኾነ ዲሚትሪ ፐስኮቭ፡ ጎርባቸቭ \"ዝሑል ኲናት ከብቅዕ ብቅንዕና ድሌት ነይሩዎ። እዚ ድማ ኣብ መንጎ ዝተሓደሰት ሕብረትን ዓለምን፡ ምዕራብን ዘልኣለማዊ ፍቕሪ ክፈጥር'ዩ ዝብል እምነት ነይሩዎ። እቲ ስምዒታዊ ፍቕሪ ግን ግጉይ ኮይኑ'ዩ ተረኺቡ\"። ፐስኮቭ፡ ንወራር ዩክረይን ዝተቓወማ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ሃሳዪ ቁጠባዊ እገዳታት ምንባረን ከም ኣካል ናይቲ ምጉት ብምግላጽ ብትሪ ኮኒኑ። እቲ ድሕሪ ነዊሕን ጽኑዕን ሕማም ኩሊት ኣብ ሆስፒታል ከምዝዓረፈ ዝተነግረሉ ጎርባቸቭ፡ ኣብ ርእሰከተማ ሞስኮ ኣብ ዝርከብ መካነ-መቓብር ኖቮደቪቺ ጽባሕ ቀዳም ሓመድ ኣዳም ክለብስ'ዩ። እቲ ብሰንኪ ኣብቲ መዓልቲ ዘለዎ ስራሕ ኣብቲ ስነስርዓት ከምዘይሳተፍ ዝተገልጸ ፑቲን፡ ትማሊ ኣብ ጎኒ'ቲ ህዝቢ ክበጽሖ ኣብ ቅርዓት ክረአ ዝቐነየ ሬሳ ሚካኤል ጎርባቸቭ ዕንባባ ብምንባር ሓዘኑ ገሊጹ'ሎ። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ንጎርባቸቭ \"ዘይሕለል ጠበቓ ሰላም\" ክብል ገሊጽዎ። \"ዓለም፡ ብዙሕነታዊነት ዝኣምንን ዘይሕለል ጠበቓ ሰላምን ዝኾነ ዓቢ ዓለምለኻዊ መራሒ ከሲራ\" ክብል ጉተረዝ ሓዘኑ ገሊጹ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ብወገኑ፡ \"ፍሉይ መራሒ\" ምንባሩ ብምግላጽ፡ ዝነበረ ናይ ዝሑል ኲናት ኑክሌራዊ ምትፍናን ብሰላም ክዓረፍ ምግባሩ ንኢዱ። ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ድማ \"ኣብዚ ፑቲን ንዩክረይን ዝወረረሉ እዋን፡ ንሕብረተሰብ ሶቬት ምኽፋቱ ንኹላትና ኣርኣያ እዩ\" ኢሉ። ብዙሓት መራሕቲ ምዕራባውያን ሃገራት'ውን፡ ነቲ ኣብ ዓለም ምሉእ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ዝነበረ ዝሑል ኲናት ብሰላም ከምዝሃድእ ምግባሩን፡ ኣብታ ዝፈረሰት ሕብረት ሶቬት ዝጀመሮም ጸገናታትን ዘለዎም ናእዳ ገሊጾም ኣለዉ። ሕብረት ሶቬት ካብ 1974-1991 ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብእ ኢትዮጵያ ጽዑቕ ምትእትታው ብምግባር፡ ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ይኹን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ሓድሕድ ንስርዓት ደርግ ኣጽዋርን ኣማኸርትን ብምሃብ ምስታፋ ይዝከር። ጎርባቸቭ ናስ ስልጣን ድሕሪ ምውጽኡ ግን እቲ ወተሃደራዊ ደገፍ እናደረቐ ከይዱ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣቋሪጹን። ጎርባቸቭ፡ ኣብ 1985 ዋና ጸሓፊ ዴሳዊ ሰልፊ ሶቬት ኮይኑ ድሕሪ ምምራጹ'ዩ መራሒ ሕብረት ሶቬት ኮይኑ። ኣብቲ እዋን፡ እቲ ወዲ 54 ዓመት ዝነኣሰ ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት (ፖሊት ቢሮ) ናይቲ ሰልፊ'ዩ ነይሩ። ዝበዝሑ መራሕቲ'ቲ እቲ ሰልፊ ብዕድመ ዝደፍኡ ብምንባሮም ድማ ዓይኒ ብዙሓት ዝወደቐሉ ክኸውን ኪኢሉ። ቅድሚኡ ዝነበረ መራሒ፡ ኮንስታንቲን ቸርነንኮ ንሓደ ዓመት ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምጽንሑ ኣብ መበል 73 ዓመቱ ምስሞተ ድማ'ዩ ስልጣን ተረኪቡ። ኣብ ኣሰላልፋ ዓለም ከም ጎርባቸቭ ገይሮም ጽልዋ ዝገደፉ መራሕቲ ውሑዳት'ዮም። እንተኾነ ግን፡ ጎርባቸቭ፡ ሶቬት ሕብረት ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ዝነበራ ጽልዋ ንከብቅዕ ሓሊኑ ኣይኮነን ናብ ስልጣን ደዪቡ፡ እንታይ ድኣ፡ ንሕብረተሰባ ከሐድሶ'ዩ ተበግሶታት ወሲዱ። ቁጠባ ናይቲ ሕብረት ምስቲ ናይ ቀንዲ መቀናቕንታ ዝነበረት ኣመሪካ ከነጻጸር እንከሎ፡ ንዓመታት እናተዳኸመ'ዩ ዝኸይድ ነይሩ። ንምብርባሩ ድማ \"ፐረስትሮይካ\" (ዳግመህንጻ) ዝብል ፖሊሲ ብምትእትታው፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር መንግስቲ ዝነበረ ስርዓተ-ቁጠባ ናብ ሓውሲ ናይ ዕዳጋ ከሰጋግሮ ሃቂኑ። ብዓለም ደረጃ፡ ድማ ነቲ ዝነበረ ቅድድም-ኣጽዋር ንምግታእ፡ ምስ ኣመሪካ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ንምቁጽጻር ዝዓለመን፡ ዝነበረን ብዝሒ ዘጉደለን ውዕል ፈሪሙ። ኣብተን ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ሕብረት ሶቬት ዝነበራ ሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳ፡ ኣንጻር ዴሳውያን ስርዓታት ህዝባዊ ተቓውሞታት ምስተላዕለ'ውን፡ ንምድሓኖም ኢድ ካብ ምእታዉ ተሓዪቡ። ኣብ ዝቐጸላ ዓመታት ድማ ሓያሎ ስርዓታት ብደሞክራስያዊ ተቓውሞ ካብ ስልጣን ተኣልዮም። ብዘይካ'ዚ፡ ንዴሳዊ ስርዓት ኣፍጋኒስታን ንምድጋፍ ሕብረት ሶቬት ካብ 1979 ጀሚራ ተካይዶ ንዝነበረት ደማዊ ኲናት ንምብቃዕ ሰራዊቱ ስሒቡ። ብኻልእ ወገን ድማ፡ ጎርባቸቭ፡ \"ግላስኖስት\" (ምኽፋት) ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓድሽ ፖለቲካዊ ለውጢ ብምብጋስ፡ ዜጋታት ንመንግስቲ ዝነቕፍሉ ዕድል ከፊቱ። እዚ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ እዋን ዘይሕሰብ'ዩ ነይሩ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ስጉምቲ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት (ሪፓብሊካት) ናይቲ ሕብረት ሃገራዊ ስምዒታት ኣስዒቡ። እዚ ድማ ጠንቂ ዘይምርግጋእን ምፍራስ ናይቲ ሕብረትን ክኸውን ኪኢሉ። ኣብ 1991 ኣንጻሩ ዘይዕዉት ፈተነ ዕልዋ ድሕሪ ምክያዱ ኸኣ ሕብረት ሶቬት ክትፈርስ ብምስምማዕ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ። ኣብ ምዕራባዊ ዓለም፡ ከም ሃንዳሲ ለውጢን ነቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሕብረት ሶቬትን ዝነበረ ሓደገኛ ዝሑል ኲናት ኣብ 1991 ከብቅዕ ዝገበረን ተባሂሉ ይንኣድ። ኣብ 1990 ከኣ \"ኣብ መንጎ ምብራቕን-ምዕራብን ንዝነበረ ዝምድና ዓቢ ምምሕያሽ ኣብ ምምጻእ ብዝተጻወቶ መሪሕ ተራ\" ሽልማት ኖበል ሰላም ተዋሂቡ። ኣብታ ድሕሪ 1991 ከም ብሓድሽ ዝተቐልቀለት ሩሰያ ግን፡ ካብ ፖለቲካ ርሒቑ ኣብ ናይ ትምህርትን ሰብኣዊ ንጥፈታትን'ዩ ተሓጺሩ ነይሩ። ኣብ 1996 ግን ናብ ፖለቲካ ክምለስ ፍሹል ፈተነ ኣካይዱ ነይሩ። ኣብቲ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ተወዳዲሩ 0.5 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ድማ ካብ ንጡፍ ፖለቲካ ተሰናቢቱ። ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ምምሕዳር ፕረዚደንት ሪቻርድ ኒክሰን ዝነበረ፡ ፍሉጥ ዲፕሎማሰኛ ሄንሪ ኪሲንጀር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ጎርባቸቭ \"ንደቂሰብን ህዝቢ ሩስያን ዝጠቐመ ታሪኻዊ ለውጢ ዝገበረ ሰብ ተባሂሉ ኣብ ታሪኽ ዓለም ክዝከር ክነበር'ዩ\" ክብል ገሊጽዎ። ናይቲ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሩስያ ዝርከብ ከባቢታት ዘመሓድር ብሩስያ ዝተመዘዘ ቭላድሚር ሮጎቭ ግን \"[ንሕብረት] ሶቬት ኮነ ኢሉ ክትዓኑ ዝገበረ'ዩ\" ብምባል ብኽሕደት ይኸሶ። ሩስያውያን ብዛዕብኡ ዘለዎም ስምዒታት ግን በቲ ኣብ 1997 ዝገበሮ ናይ 'ፒዛ ሃት' ዝተባህለ ትካል መግቢ፡ ንዕዳጋ ኣመሪካ ዝዓለመ መወዓዊዒ ተንጸባሪቑ'ሎ። ኣብቲ መወዓውዒ፡ ክልተ ምጉት ቀሪቡ'ሎ፣ ብሓደ ወገን ዘስዓቦ ቅልውላው ዝዛረቡ በቲ ካልእ ድማ ዝፈጠሮ ዕድላት። ኣብ መወዳእታ ግን ኩሎም ወገናት ብዛዕባ'ቲ ፒዛ ተሰማሚዖም፡ ብሓጎስ ምስኡ ክጽንብሉ ይራኣዩ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c891xqnrgepo"} {"headline":"ስጳኛ፡ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ምድርባይ ኮሚደረ ዳግማይ ተጀሚሩ","content":"ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ፌስቲቫል ምድርባይ ኮሚደረ ስጳኛ ዳግም ተጀሚሩ። ተሳተፍቲ እቲ ፌስቲቫል ዓመት መጸ ተኣኪቦም ነንሓድሕዶም ብኮሚደረ ብምድርባይ ይዘናግዑ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cxreeg9r0n1o"} {"headline":"ስጳኛ፡ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ምድርባይ ኮሚደረ ዳግማይ ተጀሚሩ","content":"ኣብ ስጳኛ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተቛሪጽ ዝጸንሐ ፌስቲቫል ምድርባይ ኮሚደረ ዳግማይ ተጀሚሩ። ተሳተፍቲ እቲ ፌስቲቫል ዓመት መጸ ተኣኪቦም ንሓድሕዶም ኮሚደረ ብምድርባይ ይዘናግዑ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c51009p4k95o"} {"headline":"ካሪም በንዚማ ብሉጽ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ኮይኑ ተሸሊሙ","content":"ኣጥቃዓይ ስጳኛዊት ክለብ ሪያል ማድሪድ ካሪም በንዚማ፡ ብሉጽ ተጻዋታይ ናይዚ ዓመት ኮይኑ ብፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ (ዩወፋ) ተሸሊሙ። ካብ ደቂኣንስትዮ፡ ኣባል ጋንታ ባርሰሎናን ሃገራዊት ጋንታ ስጳኛን ዝኾነት ኣለክሲያ ፑተላስ ብልጽቲ ተጻዋቲት ናይዚ ዓመት ብምዃን ተሸሊማ'ላ። ኣልጀርያዊ መበቆል ዘለዎ ፈረንሳዊ በንዚማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ-ውድድር ቻምፕዮንስ ሊግ ኣብ ዝተሳተፎ ግጥማት 11 ሸቶታት ኣመዝጊቡ'ዩ። ኣቐዲሙ'ውን ብሉጽ ተጻዋታይ ቻምፕዮንስ ሊግ ናይቲ ዓመት ኮይኑ ምባሩ ይዝከር። ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ ዝኾነ ወዲ 34 ዓመት፡ ኣብ ወሰንቲ ግጥማት ሸቶታት ብምምዝጋብ ሪያል ማድሪድ ዋንቻ ቻምፕዮንስ ሊግ ክትዓትር ዝገበረ ቀንዲ ተጻዋታይ ምንባሩ ይግለጽ። ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ፡ ኢጣልያዊ ካርሎ ኣንቸሎቲ'ውን ብሉጽ ኣሰልጣኒ ደቂ-ተባዕትዮ (ዓበይቲ) ኮይኑ ተሸሊሙ'ሎ። እቲ ኣብ ሰነ 2021 ንኮኾብ ናይታ ጋንታ ነበር ኣሰልጣኒ ዚነዲን ዘይዳን ብምትካእ ናብ ሪያል ማድሪድ ዝተመልሰ ኣንቸሎቲ፡ ኣርባዕተ ዋንጫ ቻምፕዮንስሊግ ዝወሰደ ኣሰልጣኒ'ዩ። ዋንጫ ኣውሮጳ ዝተዓወተት ኣሰልጣኒት ሃገራዊት ጋንታ ዓዲ-እንግሊዝ ሳሪና ዊግማን ብልጽቲ ኣሰልጣኒት ናይዚ ዓመት (ካብ ዲቂኣንስትዮ) ብምዃን ብዩወፋ ተሸሊማ'ላ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4npg3l5qqko"} {"headline":"ጋዝፕሮም ናብ ላቲቭያ ዝልእኮ ጋዝ ኣቋሪጹ","content":"ሩስያ፡ ምስቲ ኣብ ቀረባ ናብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ትልእኮ ዝነበረት ጋዝ ምቍራጹ ተተሓሒዙ፡ ናብ ላቲቭያ ትልእኮ ዝነበረት ጋዝ ከምዘቋረጸት ተፈሊጡ። እቲ ገዚፍ ትካል ጸዓት ሩስያ ዝዀነ 'ጋዝፕሮም' ነዳዲ ጋዝ ናብ ላቲቭያ ምልኣኽ ከምዘቋረጸ ገሊጹ። ነዚ ስዒቡ ላቲቭያ ኣብ ቀረባ እዋን ቀረብ ነዳዲ ካብ ዝተቛረጸን ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ኰይና ኣላ። ጋዝፕሮም፡ ንላቲቭያ ኵነታት ዕዳጋ ከም ዝጠሓሰት እዩ ዝኸስስ። እንተዀነ ብዛዕባ እቲ ዝተጣሕሰ ዝተባህለ ነገር ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን። ላቲቭያ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ንምርካብ ኣብ ጐረቤታ ሃገር ሩስያ ጽግዕተኛ'ኳ እንተዀነት፡ እቲ መንግስቲ ግን ጋዝፕሮም ዝወሰዶ ስጕምቲ ዓቢይ ጽልዋ ከምዘይህለዎ ይገልጽ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ዩክረይን ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት 170 ወተሃደራት ሩስያ ከም ዝቐተለት ገለጻ። ወተሃደራት ዩክረይን ንሓይልታት ሩስያ ካብታ ኣብ ደቡብ ትርከብ ስትራተጅያዊት ከተማ ከርሰን ከውጽኡ ዝገብርዎ ጻዕሪ ይቕጽልዎ ኣለዉ። ዩክረይን፡ ወተሃደራታ ኣብ ከባቢ ከርሰን ዝነበሩ ክልተ እኵብ ኣጽዋር ሓይልታት ሩስያ ከምዘዕነዉ ገሊጻ። ቢቢሲ ነዚ ንምርግጋጽ ዝገበሮ ፈተነ ዕውት ክኸውን ኣይከኣልን። ሓይልታት ሩስያ፡ ኣብ ቀረባ መዓልትታት ሮኬት ዩክረይን ቀንዲ ድልድላት ምስ ኣዕነው፡ ናብ ከርሰን እንደገና ቀረብ ንምልኣኽ ዘኽእሎም ክልተ ድልድላትን ዓበይቲ ጀላቡን ኣዳልዮም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ፡ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ብሪጣንያ ይሕብር። ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ሩስያ ነቲ ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘንበርዎ ማዕቀብ ሕነ ንምፍዳይ፡ ቀረብ ጋዝ ከም መሳርሒ ኲናት ትጥቀመሉ ኣላ ብምባል ይኸሳ። ዝለዓለ በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ቝጠባ ላቲቭያ ኤዲጅስ ሳይካንስ፡ ላቲቭያ ጋዝፕሮም ብቐዳም ዝወሰዶ ስጕምቲ ዓቢይ ጽልዋ ክህልዎ ትጽቢት ኣይግበረሉን ከምዝበለ ሮይተርስ ጠቒሱ እዩ። እዚ ንላቲቭያ ካብ ዘድልያ ሃልኪ ጸዓት ካብ ጋዝፕሮም ዝርከብ 27 ሚእታዊት ጥራይ እዩ። ኔቶ ንሓይልታት ላቲቭያ ከምኡ'ውን ኣብ ባልቲክ ዝርከባ ጐረባብታ ኢስቶንያን ሊትወንያን የደልድለን ኣሎ። እዚ ከባቢ'ዚ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ምስ ሩስያ ሃንደበታዊ ግጭት ክለዓለሉ ዝኽእል ከምዝዀነ እዩ ዝግመት። ሩስያውያን ኣብ ሃገራት ባልቲክ ሒደት እዮም። እተን ቅድሚ ሕጂ ኣካል ሕብረት ሶቭየት ዝነበራ ሃገራት ካብ ዝቕጽል ዓመት ጀሚሩ ጋዝ ሩስያ ምቕባል ንምቍራጽ መደብ ሒዘን ጸኒሐን እየን። ጋዝፕሮም ረቡዕ ካብ ሩስያ ተበጊሱ ናብ ኣውሮጳ ዝኣቱ ብ‘ኖርድ ስትሪም’  ዝፍለጥ መስመር፡ ናብ 20 ሚእታዊት ከምዝነከዮ ይዝከር። ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ እቲ ሩስያ ሃገራት ብዩሮ ዘይኮነስ ብሩብል [ባጤራ ሩስያ] ንክኸፍላ ዘቕረብቶ ሕቶ ነጺግዎ እዩ። ክፍሊት ብሩብል ንኽፍጸም ዝሓትት ውዕል ከም ዘየለ ይገልጽ። ሓሙስ ላትቪጃስ ጋዝ ዝበሃል ትካል ላቲቭያ፡ ጋዝ ካብ ሩስያ ይዕድግ ከም ዘሎ፡ ግናኸ ክፍሊት ብዩሮ ይፍጽም ከምዘሎ ሓቢሩ ነይሩ። ሩስያ ኣብ ለካቲት ንዩክረይን ካብ ትወርርን ምዕራባውያን ማዕቀብ ካብ ዘንብራላን ኣትሒዙ፡ ጋዝፕሮም ናብ ቡልጋርያ፡ ፊንላንድ፡ ፖላንድ፡ ዴንማርክን ሆላንድን ዝልእኮ ጋዝ ኣቋሪጹ እዩ። ሩስያ ነቲ ኣብ ጀርመን ዝርከብ ሼል ኤነርጂ ኣውሮጳ ዝሸጦ ዝነበረ ጋዝ እውን ደው ኣቢላ እያ። ኣብዚ እዋን ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ካብ ኖርወይ፡ ቀጠርን ኣሜሪካን ዝርከብ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ሓዊሱ፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝኣቱ ጋዝ ክብ ንምባል ይጽዕር ኣሎ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cgryv0d0m1zo"} {"headline":"ባንኪ ዓለም፡ ኲናት ዩክሬን ኣብ 50 ዓመት ተራእዩ ዘይፈልጥ ነውጺ ዋጋታት ከስዕብ'ዩ","content":"ኲናት ዩክሬን ካብ 1970ታት ንድሓር እቲ \"ዝዓበየ ናህሪ ዋጋታት\" ከስዕብ ከም ዝኾነ ባንኪ ዓለም ኣጠንቂቑ። ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝተፈጥረ ምትእጉጓል ካብ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ክሳብ ስርናይን ጡጥን ኣብ ዘለው ጠለባት ዓብዪ ወሰኽ ዋጋ ከም ዝህሉ ይገልጽ። እቲ ወሰኽ ዋጋ \"ድሮ ሰፊሕ ቁጠባውን ሰብኣውን ጽልዋ ከሕድር ጀሚሩ'ሎ\" ክብል ክኢላ ስነ ቁጠባ ባንኪ ዓለም ፒተር ናግለ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። \"ኣብ መላእ ዓለም ዘለው ስድራቤታት ቅልውላው ምኽባር ዋጋታት ክስምዖም ጀሚሩ ኣሎ። ሕጂ ዚያዳ ብዛዕባ እቶም ኣታዊ መነባብሮኦም ኣብ መግብን ሓይልን ዝኾነ ድኻ ስድራቤታት ተጨኒቕና ኣለና። ንሳቶም ድሮ በቲ ወሰኽ ዋጋታት ተጸለውቲ'ዮም\" ይብል። ባንኪ ዓለም ከም ዝብሎ ካብ ወርሒ ሚያዚያ 2020 ክሳብ ወርሒ መጋቢት እዚ ዓመት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበረ ወጥሪ ብዘስዓቦ ወሰኽ ዋጋታት \"ካብ 1973 ንድሓር ኣብ ውሽጢ 23 ኣዋርሕ ልዑል ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ\" ተራእዩ እዩ። ሩስያ፡ 11 ሚኢታዊት ቀረብ ነዳዲ ዓለም እተፍሪ ሳልሰይቲ ዝዓበየ ብጽሒት ዘለዋ ሃገር ኮይና፡ \"ብሰንኪ እቲ ኲናት ዘጋጥም ምትዕንቓፋት ዘላቒ ኣሉታዊ ሳዕቤን\" ከም ዝህልዎ ዝገልጽ እቲ ጸብጻብ እገዳታት ኩባኒያታት ወጻኢ ካብታ ሃገር ክወጽኡን ቴክኖሎጂካዊ ቀረባት ክንክን ከም ዝገብሮ የመልክት። ኣብዚ ሕጂ እዋን ሩስያ 40 ሚኢታዊት ቀረብ ነዳድን 27 ሚኢታዊት ዘይትን ሕብረት ኤውሮጳ ትሽፍን። መንግስታት ሃገራት እቲ ሕብረት ግን ካብ ሩስያ ከይዕድጋ ስጉምታት ይወስዱ ኣለው። በዚ ክኣ፡ ሩስያ ዋጋታት ሓፍ ብምባል ንኻልኦት ሃገራት ንክትሸይጥን ዚያዳ ጠለብ ክህሉን ክትገብር ተራእዩ። ባንኪ ዓለም ኣብ ብዙሓት ዓይነታት መግቢ ወሰኽ ዋጋታት ክህሉ ከም ዝኾነ የጠንቅቕ። ቅማረ ዋጋታት መግቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሮ ዋጋታት መግቢ ቅድሚ 60 ዓመት ዝነበረ ልዑል መጠን ዋጋ ክርኣይ ከም ዝጀመረ የርእይ። ሕጂ፡ ዋጋ ስርናይ ብ42.7 ሚኢታዊት፣ ስገም 20 ሚኢታዊት፣ ዘይቲ 29.8 ሚኢታዊት፣ ዋጋ ደርሆ ድማ ብ41.8 ሚኢታዊት ክውስኹ'ዮም ተባሂሉ ይግመት። እዚ ወሰኽ ዋጋታት ድማ ዩክሬንን ሩስያን ናብ ዕዳጋ ዓለም ዘቕርብኦ ዝነበራ ምህርታት ከም ዝጎደለ ዘመላኽት እዩ። ቅድሚ ምጅማር እቲ ኲናት፡ ክልቲአን ሃገራት 28.9 ሚኢታዊት ሰደድ ስርናይ፣ 60 ሚኢታዊት ቀረብ ዘይቲ ብልዒ የቕርባ ከም ዝነበራ ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ዩክሬን እተቕርቦ ዝነበረት እኽልን ዘርኢ ዘይትን ብ80 ሚኢታዊት ጎዲሉ ኣሎ። ዋጋ ካልኦት ምህርታት ድኹዒ፣ ሓጺነ መጺንን ሚነራላትን እውን ክውስኽ እዩ ተባሂሉ ይግመት። ብኣንጻሩ ዋጋ ዕንጸይቲ፣ ሻሂን ሩዝን ክጎድል ተኽእሎ ኣሎ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61240071"} {"headline":"ዩክረይን ንዓባይ መርከብ ሩስያ ክተጥሕል ዝኸኣለት ብሓገዝ ስለያ ኣሜሪካ ምዃኑ ምንጭታት ሓቢሮም","content":"ዩክረይን ነታ ሞስክቫ ዝተሰመየት ዓባይ መርከብ ኲናት ሩስያ ክተጥሕል ዝኸኣለት ካብ ኣሜሪካ ብዝረኸበቶ ስለያዊ ሓበሬታ ምዃኑ ማእከናት ዜና ኣሜሪካ ጸብጺበን። መንነቶም ዘይተገለጸ ሰብ መዚ ከምዝሓበርዎ ዩክረይን ብዛዕባ ሓንቲ ናብ ደቡብ ኦዴሳ ገጻ ትጉዓዝ ዝነበረት መርከብ ኣመልኪታ ንኣሜርካ ሓበሬታ ሓቲታ ነይራ። ኣሜሪካ፡ እታ መራከብ ሞስክቫ ምዃናን ትርከበሉ ልክዕ ቦታን ኣረጋጊጻትላ፤ ብድሕሪ’ዚ ዩክረይን ብክልተ ሚሳይል ወቒዓታ። ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣሜሪካ (ፔንታጎን) ኣብዚ ጉዳይ ዝሃቦ ርእይቶ የሎን። እንተኾነ ግና ሓደ ኣፈኛ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዩክረይን ገዛእ ርእሳ ምእንቲ ክትከላኸል፡ ኣሜሪካ ስለያዊ ሓበሬታ ሂባታ እያ ኢሉ። እቶም መንነቶም ዘይተገለጸ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝተጠቐሱ ሰብ መዚ ኣሜሪካ፡ ዩክረይን መርከብ ሞስክቫ ንእትርከበሉ ልክዕ ቦታ ድሕሪ ምርግጋጽ ክትሃርማ ምዃና ይፈልጡ ከምዘይነበሩ ተዛሪቦም። እታ 510 ኣባላት ዝነበሩዋ መርከብ ኲናት ሩስያ፡ ኣብቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ተካይዶ ዘላ መጥቃዕታ ዓቢይ ተራ ዝነበራ ኮይና፡ ምጥሓላ ንሩስያ ከቢድ ጽፍዒት ምዃኑ ይግለጽ። ኣብቲ እዋን፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እታ መርከብ ብሰንኪ ምብራዕ ጽዒናቶ ዝነበረት ጠያይቲ ከም ዝጠሓለት እዩ ሓቢሩ። ኣሜሪካ ዛጊት ብዛዕባ ሞስክቫ ንዝወሃብ ጸብጻባት ምላሽ ኣይሃበትን ኣላ። እንተኾነ ግን ኣፈኛ ፔንታጎን፡ ጆን ኪርቢ፡ ኣሜሪካ ብዛዕባ እቶም ኣብቲ ዓውደ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ላዕለዎት ጀነራላት ሩስያ ዝርከቡሉ ስፍራ ስለያዊ ሓበሬታ ንዩክረይን ተቐብል እያ ንዝብል ዝቐደመ ጸብጻባት ነጺግዎ እዩ። ሃገራዊ ቤትምኽሪ ጸጥታ ዋይት ሃውስ (ኤንኤስሲ) እውን፡ ዩክረይን ንላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ሩስያ ዕላማ ንኽትገብር ኣሜሪካ ትሕግዛ እያ ንዝብል ሓበሬታ ነጺጉዎ’ዩ። ኣፈኛ ኤንኤስሲ ኣድርየን ዋትሰን፡ “ንሩስያውያን ጀነራላት ንምቕታል ዝዓለመ ስለያዊ ሓቤረታ ኣይነቐብልን ኢና” ኢላ። ምምሕዳር ባይደን ንዩክረይን ዝገብሮ ዘሎ ሓገዛት የሐይሎ ኣሎ። ኣሜሪካ ንሩስያ ተጥቅዕ የላን ክብል ዝምጉት ፕረዚደንት ባይደን ንዩክረይን ናይ 33 ቢልዮን ዶላር ወተሃደራዊ፡ ቁጠባዊን ሰብኣውን ሓገዛት ንምሃብ ንባይቶ ሃገሩ ሓቲቱ ኣሎ። እዚ ኣሃዝ ዕጽፊ ናይቲ ዛጊት ኣሜሪካ ንዩክረይን ዝሃበቶ ወተሃደራውን ሰብኣውን ሓገዛት እዩ። ፕረዚደንት ባይደን ነቲ ብፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዝወሃብ ናይ ኑክለራውን ካልእን መጠንቀቕታታት ብዙሕ ዋጋ ከምዘይህቦ ከርእይ ከምዝደሊ ኤዲተር ቢቢሲ ሰሜን ኣሜሪካ ሳራ ስሚዝ ትዛረብ። እቲ ሃገራት ምዕራብ ንዩክረይን ዝገብርኦ ወተሃደራዊ ሓገዝ “ንጸጥታ እታ ኣህጉር” ኣስጋኢ ከምዝኾነ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ይገልጽ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61361066"} {"headline":"ፍንጣጣ ህበይ' ኣብ ኣውሮጳ፡ ኣሜሪካ፡ ካናዳን ኣውስትራልያን ይርአ'ሎ","content":"ኣብ ኣውሮጳ፡ ፈረንሳ፡ ጥልያንን ሽወደንን ዝኣመሰላ ሃገርት፣ ከምኡ'ውን ኣብ ኣሜሪካ፡ ካናዳን ኣውስትራልያን፡ 'ፍንጣጣ ህበይ' ዝሓመሙ ሰባት ከምዝተረኽቡ ሰብ መዚ ጥዕና፡ ንማዕከናት ዜና እተን ሃገራት ኣፍሊጦም። ንምዃኑ ፍንጣጣ ህበይ እንታይ እዩ? ፍንጣጣ ህበይ ብሰንኪ እቲ ምስ ፍንጣጣ ዝመሳሰል ቫይረስ ዝመጽእ እዩ፤ ብዓቢኡ ምስ ሕማም ፍንጣጣ 'ውን ዝመሳሰል እዩ። ኰይኑ ግን እቲ ቫይረስ ኣዝዩ ከቢድ ከምዘይኮነን፣ ብእኡ ናይ ምልካፍ ዕድል'ውን ትሑት ከምዝዀነ ሰብ ሞያ ይገልጹ። ብፍንጣጣ ህበይ ዝሓመሙ ሰባት ኣብ ውሽጢ ውሑድ ሳምንቲ ከምዝሓውዩ፡ ሃገራዊ ኣጋልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ ይሕብር። እቲ ሕማም ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝሓልፈሉ ዕድል ትሑትን ንህዝቢ ዘየስግእን ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ማእከላይን ምዕራባውን ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዘጋጥም ሕማም እዩ። ካብዘን ሃገራት ወጻኢ ምስ ጕዕዞ ብዝተሓሓዝ ምኽንያታት ክርአ ይከኣል። መጀመርያ ኣብ ብሪጣንያ በዚ ሕማም ተታሒዙ ዝተረኽበ ሰብ፡ ብ 07 ግንቦት እዩ። እቲ ሰብ ናብ ናይጀርያ ተጓዒዙ ስለዝነበረ፡ ነቲ ቫይረስ ሒዙ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከምዝተመልሰ ይእመን፡ ብምባል ትካል ኣገልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ ኣፍሊጡ። ኣብዚ እዋን ኣብ ብሪጣንያ፡ በዚ ሕማም ዝተጠቕዑ 9 ሰባት አለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ድማ ኣውስትራልያ ብወገና፡ በቲ ሕማም ዝተጠርጠረ ናይ መጀመርያ ሰብ ከም ዝረኸበት ክትገልጽ እንከላ፣ እቲ ሰብ ሕማም ዝተሰምዖ ካብ ጕዕዞ ኣውሮጳ ምስተመልሰ እዩ። ሓሙስ'ውን ኣብ ኣውሮጳ፡ ኣብ ሽወደን ሓደ በቲ ሕማም ዝተታሕዘ ሰብ ተረኺቡ ኣሎ። ኣብ ጥልያን ሓደ ሰብ ክርከብ እንከሎ፡ ኣብ ፈረንሳይ ድማ ሓደ ዝተጠርጠረ ሰብ ይርከብ። ሰበ ስልጣን ሽወደን እቲ ሰብ ብኸመይ በቲ ሕማም ከም ዝተታሕዘ ንጹር ከምዘይኮነ'ኳ እንተገለጹ፡ ካብ ደሴታት ካናሪ ካብ ዝምለስ ብዙሕ ዘይጸንሐ ምልክታት 'ቲ ሕማም ከም ዘርኣየ ማዕከናት ዜና ይሕብራ። ብረቡዕ፡ ኣብ ፖርቱጋል 5፡ ኣብ ስጳኛ ድማ 7 ሰባት ብፍንጣጣ ህበይ ከም ዝተትሓዙ ተፈሊጡ ኣሎ። ዛጊት ጸረ ሕማም ፍንጣጣ ህበይ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ሰበ ስልጣን ጥዕና ስጳኛ ግን፡ ብርክት ዝበለ ክታበት ፍንጣጣ ከምዝዓጉ ኤል'ፐስ ዝተባህለ ጋዜጣ ገሊጹ። ኣብ ኣሜሪካ፡ ሰበስልጣን ጥዕና ግዝኣት ማሳቸቱስ፡ ሓደ ሰብ በዚ ሕማም ከም ዝተለኽፈ ኣረጋጊጾም ኣለው። ንሱ፡ ናብታ ዛጊት 13 ሰባት በዚ ሕማም ከም ዝተለኽፉ ዝግለጸላ ዘሎ ካናዳ ተጓዒዙ ከም ዝነበረ ተፈሊጡ'ሎ። ብመሰረት'ቶም ሰበስልጣን ጥዕና፡ እቲ ሰብ ሆስፒታል ደቂሱ'ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ጥዕና ከም ዝርከብን፡ \"ንህዝቢ ሓደገኛ ሳይዕቤን የብሉን፡\" ኢሎም።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61518747"} {"headline":"ምስ ፑቲን ፍቕራዊ ርክብ ከምዘለዋ ዝዝረበላ ኣሊና ካባኤቫ መን’ያ?","content":"እታ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ወራር ዝፈፀመት ሩስያ ኣብዚ እዋን ኣብ ብዙሕ እገዳታት ተሸሚማ ምህላዋ ይፍለጥ። ምስ ፑቲን ፍቕራዊ ርክብ ከምዘለዋ ዝዝረበላ ፖለቲከኛ፣ ሓላፊት ሚድያ፣ ኦሎምፒካዊት ከምኡ ድማ ሓቂ እንተኾይኑ ፍቕራዊ መሓዛን ኣደ ገለ ካብ ደቁን ከምዝኾነት ዝዝረበላ ኣሊና ካባኤቫ’ውን ዒላማ ሕብረት ኣውሮጳ ኮይና’ላ። ብሕብረት ኣውሮጳን ካልኦትን ዝንበሩ ዘለዉ ማዕቐባት ነቶም ኣብ ዙርያ ፕረዚደንት ሩስያ ዝርከቡ ሰባት ንምቕፃዕ ዓሊሞም ዝተወጠኑ እዮም። እቶም ማዕቐባት ነቶም ምስ ፑቲን ብዘለዎም ቅርበት ተረባሕቲ ዝኾኑ ምልከ-ውህዳን፣ ፖለቲከኛታትን ሹመኛታትን ዒላማ ይገብሩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣሜሪካን ብሪጣኒያን ኣብ ልዕሊ: ፑቲን ካብ ናይ ቀደም በዓልቲቤቱ ዝወለደን ጓል 36 ዓመት ማሪያን 35 ካትሪናን ማዕቐብ ከምዘንበራ ይዝከር። ኣሊና ካባኤቫ ግን ክሳብ ሎሚ ኣብ ምህዳም ትርከብ። ምናልባት ንሳ’ውን ዒለማ ትኸውን ከምዘላ ከይተገንዘብት ኣይትተርፍን። ካብቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ መንበሪ ገዝኣ ክትስጎግ ዝጠልብ ፊርማ ናይ ምትእኽኻብ ወፍሪ’ውን ኣብ ወርሒ መጋቢት ብኦንላይን ተኻይዱ ነይሩ። ንቢቢሲ ሓበሬታ ዝሃቡ ምንጪታት ከምዘረጋገጽዎ ድማ ኣሊና ሓንቲ ካብ'ቶም ኣብ ቀረባ እዋን ብሕብረት ኣውሮጳ ማዕቐብ ክንበረሎም ዝርዝር ኣስማቶም ዝተትሓዙ ሰባት’ያ። ዒላማ ዝኾነትሉ ምኽንያት ከኣ ንግዝኣት ክረሚያ ብዝምልከት ፕሮፓጋንዳ ብምዝርጋሕን ምስ ወዲ 69 ዓመት ፕረዚደንት ፑቲን ብዝለዋ ርክብን ከምዝኾነ ፀብፃብ ኤኤፍፒ የመልክት። መራሒ ሩስያ ፑቲን ብዛዕባ ውልቀ ህይወቱ ካብ ምዝራብ ወትሩ ምስተዓቀበ እዩ። ነዚ ዝምልከቱ ሕቶታት ክቐርቡሉ ከለዉ ሽፍንፍን ኣቢሉ ክሰግሮም’ዩ ዝመርፅ። ምስ ኣሊና ርክብ ከምዘለዎ ንዝዝረብ ግን ነጺግዎ’ሎ። ‘ሞስኮቭስኪ ኮረስፖንደንት’ ዝተብሃለ ጋዜጣ ሩስያ ኣብ 2018 ዝዘርግሖ ዜና፡ ፑቲን ንበዓልቲ ቤቱ ልዩድሚላ ፈቲሑ ንኣሊና ካባኤቫ ክምርዓዋ ውጥን ከምዘለዎ ኣቃሊዑ ነይሩ። ክልቲኦም ግን ነቲ ሓበሬታ ነፂጎምዎ። ብዙሕ ከይፀንሐ እቲ ጋዜጣ ብሰበስልጣን እታ ሃገር ተዓፅዩ። ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ከኣ ልዩድሚላን ፑቲንን ከምዝተፋትሑ ብወግዒ ኣፍሊጦም። ኣብቲ ሽዑ ፕረዚደንት ፑቲን ምስ ኣሊና ርክብ ከምዘይብሉ ብምግላፅ ነቶም ዝወጽኡ ሓበሬታትት ነፂግዎም’ዩ። ንሳ ድማ ኣብ ውድድራት ኦሎምፒክ ዝለዓለ ዝና ካብ ዝረኸበትሉ ጂምናስቲክ ናብ ፖለቲከኛነት ክተዛዙ ጀሚራ። ተወዳዳሪት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን በቲ ስፖርት ኣብ ዓለም ብልፅቲ ክትብሃል በቒዓ ነይራ። ብ1983 ኣቆፃፅራ አውሮጳ ዝተወለደት ኣሊና ገና ቆልዓ 4 ዓመት እናሃለወት ጂምናስቲክ [ብፍሉይ ሪትሚክ ጂምናስቲክስ] ዝብሃል ስፖርት ጀሚራ። “ፈለማ ምስረኣኽዋ ክኣምን ኣይከኣልኩን። እታ ቐልዓ: ክልተ ኣብ ብዙሓት ሰባት ዘይትረኽቦም ብቕዓታት ኣዋሂዳ ዝሓዘት ነይራ። እቶም ኣብ ሪትሚክ ጂምናስቲክስ ወሰንቲ ዝበሃሉ ብቕዓታት ተዓፃፃፍነትን ንጡፍነትን እዮም” ክትብል ትገልጻ ኣሰልጣኒታ ኢሪና ቫይነር። ኣብ 1996 ፈላሚ ዓለም ለኻዊ ውድድራ ዝተሳተፈት ኮይና፡ ብ1998 ከኣ ብዙሓት ብዘይተፀበይዎ ኣብ ሻምፒዮንሺፕ ኣውሮጳ ክትዕወት በቒዓ። ብ2000 ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ሲድኒ ብሰንኪ ቀሊል ስሕተት ነሓስ ሒዛ ዝተፋነወት ኣሊና ድሕሪ 4 ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ኣቴንስ ግን ነታ ወርቂ ንኻልእ ተወዳዳሪ ኣሕሊፋ ኣይሃበትን። ሒዛታ ናብ ሩስያ ኣተወት። ካብቲ ውድድር ክትሰናበት ከኣ 18 ሚዳልያታት ውድድራት ሻምፒዮንሺፕ ዓለም ከምኡ’ውን 25 ሜዳልያታት ሻምፒዮንሺፕ ኣውሮጳ ሒዛ ነይራ። ኣብ 2001 ልክዕ ከምቲ ብዙሓት ሩስያውያን ኣትሌታት ንሳ’ውን ሓይሊ ወሃቢ ንጥረ-ነገር ወሲዳ ስለዝተረኸበት ዝረኸበቶም ሜዳልያታት ክትመልስ ከምዝተገበረት ይፍለጥ። ገፃ ናብ ፖለቲካ ምስመለሰት ከኣ ናብ መራሒ ውድብ ‘ዩናይትድ ሩስያ ፓርቲ’ ብምፅምባር ኣባል ታሕተዋይ ባይቶ እታ ሃገር ክትኸውን በቒዓ። ኣብ 2014 ነቲ ኣብ ሩስያ ገዚፍ ዝኾነ ‘ናሽናል ሚድያ ጉሩፕ’ ብኣዶ መንበርነት ክትመርሖ ተሸይማ። እቶም ሚድያታት፡ ኣብ ኲናት ዩክሬን ንሩስያ ዝድግፉ ፕሮፓጋንዳታት ኣብ ምዝርጋሕ ዝተፀመዱ ኮይኖም’ዮም ተራእዮም። ዩክሬን ንናይ ብዓላ ከተማታት ትድብድብ ከምዘላን ወተሃደራት ሩስያ ናይ ነፃነት ሰራዊት ከምዝኾኑን ክገልፁ ተሰሚዖም። ፑቲንን ኣሊናን መዓዝን ኣበይን ተራኺቦም ንዝብል ንፁር መልሲ’ኳ እንተዘይሃለወ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ምስ ዕውታት ኣትሌታት ኦሎምፒክ ክራኸብ ግን ዘይልሙድ ኣይኮነን። ኣብ 2001 ዓብዪ ሃገራዊ ክብሪ ክሽልማ ከሎ ዘርእይ ፎቶ ተዘርጊሑ ምንባሩ ይዝከር። ካብ ክልቲኦም ዝተወለዱ ቆልዑ ከምዘለዉ ዝሕብሩ ሓበሬታት ዝወጽኡ ኮይኖም፤ ክንደይ ቆልዑት ኣብ ዝብል ግን ዝተፈላለየ ብዝሒ እዩ ዝቐርብ። ሓደ ኣብ ስዊዝ ዝሕተም ጋዜጣ ከምዘቃልዖ፤ ኣሊና ካባኤቭ ኣብ 2015 ኣብ ጥቓ ደቡብ ስዊዘርላንድን ሰሜናዊ ጣልያንን ዘራኽብ ዶብ ዝርከብ ‘ቀላይ ሉጋኖ’ ናብ ዘሎ ክሊኒክ ከይዳ ሓደ ቆልዓ ወሊዳ ነይራ። ካልኣይ ቆልዓ ድማ ብ2019 ኣብቲ ቦታ ደጊማ። መንግስቲ ሩስያ ግን ነቶም ምስዚ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ዝቐርቡ ክስታት ኩሎም ክነፅጎም ይስማዕ። ኣብ 2015 ወሃቢ ቓል ፕረዚደንት ፑቲን “ናይቲ ዝተወለደ ቆልዓ ኣቦ ቭላድሚር ፑቲን ከምዝኾነ ዝገልጽ ሓበሬታ ሓቅነት ዘለዎ ኣይኮነን” ኢሉ ነይሩ። ኣሊና ብወገና ብዛዕባ እቲ ምስ ፑቲን ኣለዋ ዝብሃል ርክብ ክዝረብ ካብ ዝጀመረሉ እዋን ንደሓር ንነብሳ ካብ ህዝባዊ መድረኻት ክተርሕቕ መሊሳ ድማ ቅልቅል ክትብል ትረኣይ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝተወልዓ ኲናት ከምእትድግፍ ዝዝረበላ ኣሊና፡ ኣብ ልዕሊኣ ማዕቐባት ክድንገጉ ዝጽውዑ ወፍርታት ይረኣዩ ኣለዉ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61361158"} {"headline":"ኣሜሪካ፡ ሽወደንን ፊንላንድን ናብ ኔቶ ንኽጽንበራ ምሉእ ደገፍ ከምእትገብር ኣፍሊጣ","content":"ሽወደንን ፊንላንድን ናብ ኔቶ ንምጽንባር ንዘቕረባኦ ሕቶ ኣሜሪካ ምሉእ ብምሉእ ከምእትድግፎ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ገሊጹ። ክልቲአን ሃገራት ኣባላት ናይቲ ብሃገራት ምዕራብ ዝቘመ ወተሃደራዊ ኪዳን ክኾና ሕቶ ምቕራበን ኣብ ጂኦፖለቲካ ኣውሮጳ ዓቢይ ለውጢ ከምዝተፈጥረ መርኣያ ምዃኑ ይግለጽ። እተን ሃገራት ነቲ ኪዳን ንኽጽንበራ ናይ ኵለን 30 ኣባል ሃገራት ኔቶ ድጋፍ የድልየን። እንተኾነ እቲ በተን ሃገራት ኖርዲክ ዝቐረበ ጠለብ ብቱርኪ ተነጺጉ ኣሎ። ፕረዚደንት ባይደን ብሓሙስ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን ማግደሊና ኣንደርሰንን ቀዳማይ ሚኒስተር ፊንላንድ ሳኡሊ ኒኒስቶን ኣብ ዋይት-ሃውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጥርዓን ሽወደንን ፊንላንድን ኣብ \"ታሪኽ ጸጥታ ኣውሮጳ ነጥበ መቐይሮ እዩ\" ኢሉ። \"ሓደስቲ ሃገራት ናብ ኔቶ ምጽንባረን ንዝኾነት ሃገር ስግኣት ኣይኮነን\" ዝበለ ባይደን እተን ኣብ \"ላዕሊ ኣብ ሰሜን\" ዝርከባ ክልተ ሃገራት \"ንጸጥታ ኣባላት እቲ ኪዳን ንምሕያልን ናይ ጸጥታዊ ምትሕግጋዛትና ንምዕማቝን ዝጠቅም እዩ\" ኢሉ። ሩስያ ብተደጋጋሚ ንኔቶ ከም ስግኣት ከም እትርእዮን፡ እቲ ኪዳን ምስፋሕ እንተቐጺሉ ግብረመልሲ ከምእትህበሉ ክተጥንቅቕ ጸኒሓ እያ። ቱርኪ፡ እዘን ክልተ ናብ ኔቶ ክጽንበራ ዝደልያ ዘለዋ ሃገራት ነቶም ብቱርኪ ከም ግብረሽበራውያን ዝረኣዩ ዕጡቓት ሓይልታት ፒኬኬ ከምዘዕቍባ ትከስስ። እንተኾነ ዋና ጸሓፊ ኔቶ፡ ጀንስ ስቶልተንበርግ ይዅን ሚኒስተር ምክልኻል ብሪጣንያ በን ዋላስ፡ እዚ ጉዳይ መፍትሒ ክግበረሉ ምዃኑ ይዛረቡ። ባይቶ ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ መዓልትታት 40 ቢልዮን ዶላር ዝበጽሕ ወተሃደራውን ሰብኣውን ሓገዛት ንዩክረይን ክወሃብ ምጽዳቑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ፡ ዛጊት ንዩክረይን ካብ ዝተዋሃበ ዝዓበየ ሕጹጽ ሓገዝ እዩ። ፕረዚደንት ዩክረይን፡ ቮሎድሚር ዘለንስኪ ንውሳነ እቲ ባይቶ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ \"ኣሜሪካ ኣብ ዩክረይን፡ ኣውሮጳን ዓለምን ሰላምን ጸጥታን ዳግም ንምስፋን ዝወሰደቶ ዓቢይ ኣበርክቶ\" ክብል ንኢዱ። ኣሜሪካ ምስዚ ናይ ሕጂ ወሲኽካ ንዩክረይን ዝሃበቶ ሓገዝ 50 ቢልዮን ዶላር ምብጽሑ ይግለጽ። ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝተላእከ መሳርሒታት ንምጽጋን ተወሳኺ 8.7 ቢልዮን ዶላር ክውዛዕ እዩ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61518738"} {"headline":"ጂሮ ዲ ኢታልያ፡ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ዲ'ታልያ ካልኣይ ወጺኡ","content":"ሎሚ ብቕጽበታዊ ውድድር ኣብ ዝተዛዘመ ቀዳማይ መድረኽ ጂሮ ዲ'ኢታልያ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳሚ ቢኒያም ግርማይ ንተቐዳዳማይ ቫንደር ፖል ስዒቡ ካልኣይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ። ኣብ ጂሮ ዲ'ኢታልያ ንመጀመርታ ግዜ ዝሳተፍ ዘሎ ቢኒያም፡ ነዛ ውድደር ክዕወተላ ካብ ብዙሓት ትጽቢት ተነቢርሉ ነይሩ። መርሃዊ ቅዱስ እውን ኣብ ቮልታ ስጳኛ ኣብ ሓደ መድረኽ ካልኣይ ኮይኑ ወጺኡ ነይሩ። በዚ መሰረት ቢንያም ግርማይ ኣብ መጀመርታ ተሳትፎ ናይ ግራንድ ቱር ቀዳማይ መድረኽ ካልኣይ ኮይኑ ብምእታው ምስ መርሃዊ ቅዱስ ተመዓራርዩ ኣሎ። ቢንያም ግርማይ በዚ ሎሚ ዘመዝገቦ ዓወት ነታ ንትሕቲ 23 ዓመት እትወሃብ ጻዕዳ ማልያ ወኒኑዋ ኣሎ። ምስ ቤልጅማዊት ጋንታ ኢንትርማርች ዋንት ጎበርት ተሰሊፉ ኣብዚ ውድድር ዝሳተፍ ዘሎ ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳሚ ቢንያም ግርማይ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ውድድር ዓብዪ ኣቓልቦ ተዋሂቡዎም ዘለው ተቐዳደምቲ ኮይኑ፡ ኣብ ኤርትራ ጽቡቕ ናይ ዕረፍትን ምድላውን ግዜ ኣሕሊፉ ከም ዝመጽአ፡ ትማሊ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ ተዛሪቡ ነይሩ። ኣብቲ ሎሚ ኣብ ሃንጋሪ ዝጀመረ ውድድር ቀዳማይ መድረኽ 195 ኪሎ ሜትሮ ዝሸፈነ ኮይኑ ቢኒያም ግርማይ ጽቡቕ ምድላው ገይሩ ከም ዝኣተዎ ገሊጹ'ዩ። ብርክት ዝበላ መራኸቢ ማዕከናት ዝዛረባሉ ዘለዋ ተቐዳዳሚ ቢኒያም፡ ኣብ ፍራንክፈርት ኣብ ዘካየዶ ውድድር ብዙሓት ባንዴራ ኤርትራ ዝሓዙ ደገፍቱ ዓብዪ ኣቀባብላ ገይሮምሉ ነይሮም። \"ኣብ ጥቓይ ከምዚኦም ዝበሉ ደገፍቲ\/ ኣፍቀርቲ ክርኢ ሓድሽ ነገር ኣይኮነን፤ ብዙሓት ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ወጻእን ዘለው ደገፍቲ ኣፍቀርቲ ውድድራት ሳይክል እዮም፤ ይፈትውዎን ይድግፉዎን እዮም። ኣብ ፍራንክፈርት ግን ክንደዚ ዝኣክል ሰብ ክመጽእ'ዩ ዝብል ትጽቢት ኣይነበረንን፤ ሕጉስ'የ\" ኢሉ። ወሲኹ፡ \"መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ቱር ደ ፍራንስ'ዮም ብብዝሒ ዝከታተሉ፤ ንውድድር ጂሮ ዲ ታልያ'ውን ይከታተሉዎ'ዮም። ኣነ ኸእ ካብ ዝነበረኒ ተሞክሮ ተበጊስካ፡ ኣብ ናይ ጎልጎልን ኣብ ናይ ቅጽበታዊ ውድድር ዘለዎ ውድድር'የ ዝያዳ ዝፈቱ። ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝተመኮርኩሉ'ውን ዝያዳ ጎልጎል ዘለዎ መድረኽ'የ ዝፈቱ\" ክብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ። ኣብዚ 27 መጋቢት ኣብ ቤልጂም ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ጋንት ወቭልገን ብዘደንቕ ቅጽበታዊ ውድድር ቀዳማይ ኮይኑ ብምእታዉ፡ ንዕኡ፡ ንጋንትኡ፡ ንሃገሩን ንኣፍሪቃን ቦኽሪ ዓወት ውድድር ክላሲክ ከመዝግብ ክኢሉ እዩ። ቢንያም ግርማይ ኣብዛ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ኣቑጺራ ዘላ ዓመት 2022፡ ኣብ ከም ፍራንክፈርት፡ ሚላኖ ሳንሪሞ፡ ፓሪስ ኒሰ፡ ድሮም ክላሲክ ዝርከቦም ዝተፈላለየ ውድድራት ን25 መዓልታት ብምውድዳር 4295 ኪሎሜትር ሸፊኑ፡ ኣብ ዩሲኣይ 531 ነጥቢ ኣመዝጊቡ ኣሎ። ኣብ ውድድር ጂሮ ዲ'ታልያ'ውን ንጂክሎሚንዮ ጀርሲ ክወዳደር ምዃኑ ሓቢሩ። \"እወ፤ ብሓፈሻ ኣብ ውድድር ጂሮ ዲ'ታልያ ሓደ መድረኽ ክዕወት'ዩ ቀዳማይ ሸቶይ፤ ብዝተክኣለኒ መጠን ክኣ ኣብ ናይ ነጥቢ ማልያ ክጽዕር'የ፤ ኣብ ናይ ቅድድም ብሽክለታ ኣብ ዝህልወኒ ጻንሒት ድማ ኣብ ክላሲክ፣ ሞኒመንትን ዓበይቲ ውድድራትን ክዕወት ሕልመይ'ዩ። \"ኩሉ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ኣብ ዓበይቲ ውድድራት ዓለም ክዕወት ሕልሚ ኣለዎ'ዩ፤ ብፍላይ ኣብ ሰለስቲኡ ቱራት ፡ ቮልታ ስዓኛ፡ ቱር ዲ ፍራንስን ጂሮ ዲ ኢታልን። እዚ ክኣ ንዓና ዋላ ሓደ ጸሊም ተቐዳዳማይ ተዓዊትሉ ዘይፈልጥ ዓብዪ ውድድር ስለ ዝኾነ ኣብዚ ምስታፍና ዓብዪ ኣጋጣሚ'ዩ\" ይብል። ኣብዚ ውድድር 22 ጋንታታት፡ ነፍሲ ወከፈን 8 ተቐዳደምቲ ሒዘን ክወዳደራ እየን። በዚ መሰረት፡ 176 ተቐዳደምቲ ኣብ ምጅማር እቲ ውድድር ክርከቡ'ዮም ተባሂሉ ነይሩ። ኣብዚ ንሰለስተ ሳምንታት ዝቕጽል ጂሮ ዲ'ኢታልያ ሓያላት ተጻወትቲ ክዕወትሉ ይኽእሉ እዮም ተባሂሎም ብኣጋኡ ግምት ተዋሂብዎም ኣሎ። ነዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ኣብ ኣብ 2019 ከምኡ'ውን ኣብ 2017 ነዚ ውድድር ብቕደም ተኸተል ዝተዓወተሉ ሪቻርድ ካራፓዝን ቶም ዱሞሊን ካብቶም ንዓወቶም ክደግምዎ ይኽእሉ'ዮም ተባሂሎም ተገሚቶም ዘለዉ ተቐዳደምቲ እዮም። ኣብ 2018 ንቮልታ ስጳኛ ዝተዓወተሉ ሳይመን ያተስ'ውን ክዕወት ይኽእል'ዩ ተባሂሉ ትጽቢት ተገይርሉ ዘሎ እዩ። ሳይመን ነዚ ውድድር እንተተዓዊትሉ ንኽልተ ግራንድ ቱር ዝተዓወተ ተቐዳዳማይ ክኸውን እዩ። ንጋንታታቶም መሪሖም ዝኣትዉ ጅዮ ኣልሜዳ፡ ፑለፐ ቢልባኦን ኣንገል ሎፐዝን'ውን ንህሉው ቁመናኦም ኣብ ግምት ኣእቲኻ ኣብ ዝርዝር ክኣትዉ ትጽቢት ይግበር።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61350492"} {"headline":"ምጽንባር ዩክረይን ናብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዓሰርተታት ዓመታት ክወስድ ይኽእል’ዩ - ፕረዚደንት ማክሮን","content":"ጉዳይ ምጽንባር ዩክረይን ናብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዓመታት ክወስድ ከም ዝኽእል ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑዌል ማክሮን ሓቢሩ። ንሱ ኣብ ስትራስበርግ ንፓርላማ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ዩክረይን ውሳነ እናተጸበት እንከላ፡ ናብ ኣውሮጳዊ ማሕበረሰብ ክትጽምበር ከምእትኽእል ተዛሪቡ። እዚ፡ ኣባላት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዘይኮና ሃገራት ብኻልእ መገዲ ንጸጥታዊ መዋቕር ኣውሮጳ ክጽምበራ ዘፍቅድ ምዃኑ ፕረዚደንት ማክሮን ገሊጹ። ንሱ ነዚ ዝብል ዘሎ፡ ሩስያ ንምብራቓዊ ዞባ ዶንባስ-ዩክረይን ንምቁጽጻር ከቢድ ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን እዩ። ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምክልኻል ኣሜሪካ ግና ሩስያ ብዙሕ ከምዘይሰጎመት ገሊጹ። ኣብ ዞባ ሉሃንስክ ከቢድ ኲናት ይቕጽል ከም ዘሎ'ውን ሓደ ዩክሬናዊ ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ተዛሪቡ። ዩክረይን ናብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ንምጽንባር ዝሓተተት፡ ወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ድሕሪ ምጅማሩ ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ኮይኑ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይዚ ዓመት እዩ። ፕረዚደንት ማክሮን ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ \"እቲ ናይ ምጽንባር መስርሕ ዓሰርተታት ዓመታት እንተዘይኮነ'ውን ዓመታት ከምዝወስድ ኩላትና ንፈልጥ ኢና\" ኢሉ። ንሱ ወሲኹ፡ \"ነቲ መስፈርቲ ትሕት ክነብሎ እንተዘይወሲንና እቲ ሓቂ እዚ እዩ፤ ሓድነት ኣውሮጳና'ውን ዳግም ንሕሰብ\" ኢሉ። እንተኾነ ግና ንኣባልነት ዩክረይን ንምቅልጣፍ ንተሪር መምዘኒታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ካብ ምጉሳይ \"ተጓዳኒ ኣውሮጳዊ ማሕበረሰብ\" ከም ኣማራጺ ክረአ ከም ዘለዎ ማክሮን ተዛሪቡ። \"እዚ ነተን ብጂኦግራፍ ኣብ ኣውሮጳ ዝተደኮና ሃገራት ክንሕዘሉን ክብርታትና ክነካፍለሉን እንኽእል ሓደ መገዲ'ዩ\" ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጹ። ማክሮን ነዚ ዝበለ፡ ፕረዚደንት ኣውሮጳዊ ኮምሽን ኡርሰላ ቮን ደር ለየን፡ ፈጻሚ ኣካል ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ጉዳይ ሕቶ ኣባልነት ዩክረይን ፈላሚ ርእይቶኡ ክህብ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጻ እዩ። ሰብ መዚ ዩክረይን ብሰኑይ ከምዘረጋገጽዎ፡ ዩክረይን ምጽንባር ናብ ኣውሮዊ ሕብረት ኣመልኪታ ናብ ብራስለስ ካልኣይ ክፋል ጥርዓን ሕቶ ኣቕሪባ ኣላ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61391426"} {"headline":"ኢማኑኤል ማክሮን ንኻልኣይ ግዜ ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኮይኑ ተመሪጹ","content":"ኢማኡኔል ማክሮን ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ ፈረንሳ መነሓንሕቱ ንዝነበረት ማሪን ሊ ፔን ብዓብላሊ ድምጺ ብምስዓር ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ፕሬዝደንት ኮይኑ ተመሪጹ። ማክሮን፡ 58.55 ሚኢታዊት ድምጺ ክረክብ እንከሎ፡ ሊ ፔን 41.45 ሚኢታዊት ድምጺ ረኺባ። እዚ፡ ልዕሊ እቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ውጽኢት ክኸውን እንከሎ፡ ስደተኛታት ትጸልእ እያ ትብሃል ሕልፍቲ የማናዊት ሊ ፔን ዝረኸበቶ ድምጺ ግን ክሳብ ሕጂ ሕሉፍ የማናውያን ሰልፊታት ዝረኸቡዎ እቲ ዝለዓለ ውጽኢት መረጻ እዩ። ኣብ ኢፍል ታወር ንደገፍቱ ዘረባ ዘስምዐ ማክሮን፡ \"እቲ መረጻ ካብ ተወድአ ሕዚ ናይ ኹሉ ፕሬዝደንት\" ክኸውን እየ ኢሉ። ንሱ፡ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ንፈለማ እዋን ኣብ ስልጣን እንከሎ ዳግም ዝተመረጽ ፕሬዝደንት እዩ። ኣብቲ ፕረዚደንታዊ መረጻ ዝተስዓረት ሊ ፔን እቲ ዝረኸበቶ ድምጺ ሕዚ'ውን መርኣያ ዓወት ምዃኑ ተዛሪባ። ካብ ሕሉፍ የመናዊ መነሓንሕታ ዝነበረ ኤሪክ ዜሙር ግን፡ ልክዕ ከም ኣቡኣ ንሳ'ውን ወዲቓ'ያ ክብል እንከሎ፡ \"ንሻምናይ ግዜ ኢና ሊ ፔን ዝብል ሽም ብስዕረት ንሰምዖ ዘለና\" ኢሉ። ማሪን ሊ ፔን፡ እቲ ኣቡኣ ዝመስረቶ ሰልፊ ፖለቲካ ንክስዕር ብዝብል እያ ብ2011 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] መራሒት እቲ ሰልፊ ኮይና። ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ዝተኻየደ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ልዕሊ 13 ሚሊዮን ድምጺ እያ ረኺባ። ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ምኽባር ዋጋ ንምፍታሕ ምንካይ ግብሪ ክትገብር፣ እስላም ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣደባባይ ሒጃብ ከይኽደና ሕጊ ከተውጽእን ምቁጽጻር ስደት ዝምልከት ድምጺ ህዝበ ውሳነ ክካየድ ክትገብርን ቀንዲ ጎስጓስ ትገብረሎም ዝነበረት ዛዕባታት እዮም። ፕረዚደንት ማክሮን ድሕሪ ዓወት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ \"ነቲ ብዙሓት ዜጋታትና ንሕሉፍ የማን ክመርጹ ዝገበሮም ቁጥዐን ዘይምስምማዕን መልሲ ክርከቦ ይግባእ። እዚ ክኣ ናተይን ናይቶም ኣብ ጎነይ ዘለውን ሓላፍነት እዩ\" ኢሉ። ካብ ሰለስተ መረጽቲ ልዕሊ ሓደ ዝኾኑ መረጽቲ ድምጾም ንኽልቲኦም ሕጹያት ኣይሃቡን፤ ልዕሊ ሰለስተ ሚሊዮን ሰባት ድማ ድምጾም ዝህብሉ ካርዲ ናጻ እዩ ነይሩ። ኣብ ፓሪስ፣ ሬነስ፣ ናንተስ ሓዊሱ ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት እቲ ውጽኢት መረጻ ኣይንቕበሎን ብማለት ኣንጻር ማክሮን ሰልፍታት ተቓውሞ ተኻይዶም። ሕጽይቲ ሕሉፍ የማናዊ ኮይና ዝቐረበት ተነሓናሒት፡ ኣንጻር ፖሊሲታት ሕብረት ኤውሮጳ ዝኾኑ ሓሳባት ብምሃባ ተሻቒሎም ዝነበሩ መራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳ እቲ ውጽኢት መረጻ ተቐቢሎምዎ። ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ፡ ፕሬዝደንት ማክሮን ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ንዝተኣወጀ ኲናት ሩስያ ዝሃቦ ምላሽ ብምልዓል እንኳዕ ደስ በለካ ክብሎ እንከሎ፡ ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ብወገኑ ንዩክሬን ምድጋፍ ሓዊሱ \"ጥቡቕ ምትሕብባር\" ክህልዎም ተስፋ ከም ዝገብር ገሊጹ። ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዜሌንስኪ \"ሓቀኛ መሓዛ\" ብምባል ናይ እንኳዕ ደስ በለካ መልእኽቲ ክሰድድ እንከሎ ጠንካራን ዝሓበረን ኤውሮጳ ክርኢ ተስፍኡ ልዑል ከም ዝኾነ ገሊጹ። ቀዳማይ ሚኒስትር ብሪጣኒያ ቦሪስ ጆንሰን'ውን ብተመሳሳሊ ውጽኢት መረጻ ፈረንሳ ተቐቢሉዎ። እቲ ሕጂ ሚሊዮናት ፈረንሳውያን ዝጽገምሉ ዘለው ምኽባር ዋጋታት ቁጽሪ ሓደ ጎስጓስ እቲ መረጻ እዩ ነይሩ። ተቓወምቲ እቲ ፕሬዝደንት ድማ ንትሑትን ማእከላይ እቶትን ዘለዎም ሰባት ግዲ ዘይብሉ ናይ ሃፋትም ፕሬዝደንት እዩ እናበሉ ይነቕፉዎ ነይሮም። ቀዳማይ ሚኒስተር ጄን ካስተስ ግን ንሬድዮ ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው \"ብዙሓት ምክፍፋላትን ናይ ርድኢት ዋሕድን\" ኣብ ዘለወሉ ግዜ እቲ ፕረዚደንት ዳግም ምምራጹ ዓብዪ መልእኽቲ እዩ ዘሕልፍ ኢሉ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61213357"} {"headline":"ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ጉዳይ ምቁራጽ ጋዝ ሩስያ ተመቓቒለን","content":"ሃንጋሪ ነቲ ብሕብረት ኣውሮጳ ዝግበር ዘሎ እገዳ ጋዝን ነዳድን ሩስያ ከም ዘይትድግፍ፡ ኣፈኛ መንግስ'ታ ሃገር ኣፍሊጡ። ዞላታን ኮቫክ፡ “ኣብ ልዕሊ ጋዝን ነዳድን ሩስያ ኣብ ዝግበር ዘሎ እገዳ መርገጺና ንጹርን ዘይቅየርን እዩ፣ ንሕና ኣይንድግፎን ኢና” ኢሉ። ምሉእ እገዳ ኣብ ልዕሊ እዞም ክልተ ቅራይ-ነዳዲ ሩስያ ብኮሚሽን ኣሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብዚ ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ ሻድሻይ ዙርያ እገዳ ኣንጻር ሩስያ ኣብ ግምት ምእንቲ ክኣቱ ከም ዝኽእል ተፈሊጡ’ሎ። ሚኒስተራት ጸዓት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብቲ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ዝገብርዎ ህጹጽ ኣኼባ ኣብ ሓደ ስሙር መርገጺ ክበጽሑ ተስፋ ኣንቢሮም ኣለው። እንተዀነ ሚኒስተር ቁጠባ ጀርመን ሮበርት ሃበክ፡ ኣብ መንጐ’ተን 27 ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ነዚ ጉዳይ ኣብ ዝተመልከተ ነጥቢ ሓባራዊ መርገጽ ከምዘይብለን ተዛሪቡ’ሎ። ንሱ ኣብ ዝሃቦ ቓል፡ “ካልኦት ሃገራት ገና ኣይተሰማምዓሉን ዘለዋ፤ ድሌታተን ድማ ክኽበር ዘለዎ እመስለኒ። ንቐረብ ጋዝ ንኣብነት፡ ንሕና’ውን ድሉዋት የለናን” ኢሉ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣካያዲ ናይቲ ኣብ ስሎቫኪያ ዝዓበየ ነዳዲ ኣቕራቢ ትካል ‘SPP’ ዝዀነ፡ ሪቻርድ ፕሮኪፓክ ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ ሩስያ ንቐረብ ነዳድን ጋዝን እንተቈሪጻቶ፡ ንሃገራት ኣውሮጳ ዓቢይ ሓደጋ ምዃኑ ኣመልኪቱ። ንሱ ኣብ መግለጺኡ ከምዝበሎ፡ እቲ ሓደጋ ኵሉሳዕ ኣሎ፣ እንተዀነ ትካሉ ንኸምዚ ዝኣመሰለ እዋን ይዳሎ ኣሎ። ሩስያ ኣብ ጉዳይ መሸጣ ጋዝን ነዳድን ትብሎ ከም ዘላ፡ ኵለን ዓደግቲ ሃገራት ብመገዲ’ቲ ንባጤራታት ንዶላር ይኹን ኣውሮ ናብ ሩብል [ባጤራ ሩስያ] ዝቕይር ናይ ብሕታ ዝዀነ ‘ጋዝፕሮም-ባንክ’ ዝተባህለ ባንክ ኣቢለን ክፍሊት ክፍጽማ እያ ትጠልብ ዘላ። ንሱ ወሲኹ፡ ብርግጽ፡ “ንተፈጥሮኣዊ ጋዝ ሩስያ ቀሊል መተካእታ የለን” ኢሉ። ኣተሓሒዙ፡ “ኣብ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ካብ ሩስያ ዝኣቱ ንብረት ዝግበር እገዳ ኣብቲ ኲናት ኣስተዋጽኦ ይህልዎ ይኸውን እዩ። እቲ ገጢሙና ዘሎ ብድሆ ግን፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ጋዝ ዝግበር እገዳ ነቲ ኲናት ደው ከብል ይኽእል ዶ? ዝብል እዩ፡’ ብምባል ስክፍታኡ ገሊጹ። ኣውሮጳዊ ኮሚሽን ብወገኑ፡ ሃገራት ኣውሮጳ ነዚ ጠለባት ሩስያ እንተኣማሊአን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝግበር ዘሎ እገዳ ከላሕልሖ ከም ዝኽእል ብምግላጽ፡ ሕቶ ሩስያ ክንጸግ ክጽውዕ ጸኒሑ እዩ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61299608"} {"headline":"ኲናት ዩክሬን፡ ሩስያ ናብ ሃገራት ፖላንድን ቡልጋሪያን ትልእኾ ዝነበረት ጋዝ ኣቋሪጻ","content":"ሩስያ ምስ ኲናት ዩክሬን ብዝተሓሓዝ ኣብ ጎኒ ሃገራት ምዕራብ ንዝተሰለፋ ሃገራት ፖላንድን ቡልጋርያን ትልእኾ ዝነበረት ጋዝ ኣቋሪጻ። ትካል ኢነርጂ ሩስያ ጋዝፕሮም ክልቲአን ሃገራት ነቲ ዝልኣኸለን ዝነበረ ጋዝ ክፍሊት ብመተዓዳደጊ ገንዘብ ሩስያ ክኸፍላ ፍቓደኛታት ስለ ዘይኮና እቲ ቐረብ ጋዝ ተቛሪጹ ኢሉ። ቅድም ኢሉ ኣከፋፈልቲ ጋዝ ክልቲአን ሃገራት ሩስያ ጋዝ ምልኣክ ክተቋርጽ ከም እትኽእል ገሊጾም ነይሮም። ፕሬዝደንት ቭላድሚር ፑቲን \"መሓዙት\" ዘይኮና ሃገራት ንዝቕበልኦ ጋዝ ሩስያ ብሩብል ክኸፍላ ኣለወን ኢሉ እዩ። እንተኾነ፡ ፖላንድን ቡልጋርያን ሓዊሱ ሃገራት ኤውሮጳ እዚ ሓሳብ ነጺገንኦ። ሩስያ፡ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ብዝፈጸመቶ ወራር ብዝስዓበ እገዳታት ዝተዳኸመ ኣቕሚ መተዓዳደጊ ገንዘባ ንክትውስኽ'ዩ ብሩብል ክኽፈላ ትሓትት ዘላ። ቡልጋሪያ ግን፡ ጋዝ መሳርሒ ፖለቲካ ይኸውን ኣሎ ብምባል ንውሳነ ሩስያ ተቓዊማቶ። ቡልጋሪያ፡ ናይዚ ወርሒ ናይ ጋዝ ክፍሊት ሙሉእ ንሙሉእ ከም ዝፈጸመት ብምግራጽ ኩባኒያ ጋዝፕሮም ዝኣተዎ ውዕሊ ኣየኽበረን ክትብል ከሲሳ። \"ብሰንኪ እዚ ኲናት ተፈጥሮኣዊ ጋዝ መሳርሒ ፖለቲካን ቁጠባን ይኸውን ኣሎ\" ክብል ሚኒስትሪ ኢነርጂ ኣሉክሳንደር ኒኮሎቭ ተዛሪቡ። ፖላንድ ብወገና ብዘይ ጋዝ ሩስያ ክቕጽል እየ ኢላ። ትካል ጽዓት ፖላንድ ፒጊኤንኣይጂ ናብታ ሃገር ዝኣቱ ዝነበረ ቀረብ ነዳዲ ከም ዝተቛረጸ ኣረጋጊጹ። እቲ ትካል፡ 80 ሚኢታዊት ክዙን ጋዝ ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ዋዒ ዝርኣዮም ኣዋርሕ ይመጽኡ ስለ ዘለው ጠለብ ጋዝ ክንኪ'ዩ ብምባል ሩስያ ትልእኾ ዝነበረት ጋዝ ምቁራጹ ነታ ሃገር ዓብዪ ስግኣት ከም ዘይኮነ ሓቢሩ። ሕብረት ኤውሮጳ ብወገኑ፡ ስጉምቲ ሩስያ \"ዘይቅቡልን ዘይምኹንኑይን\" እዩ ዝበለ ኮይኑ ሩስያ ዘይተተኣማምን ኣቕራቢት ጋዝ ምዃና ዘርኢ እዩ ኢሉ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/61242431"} {"headline":"ኩዕሶ እግሪ፡ ብዝሒ ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ ኣውሮጳ ዝሳተፋ ክለባት ካብ 32 ናብ 36 ክሰፍሕ ተወሲኑ","content":"ቁጽሪ ናይተን ኣብቲ ልዑል ክብሪ ዝወሃቦ ውድድር ቻምፕዮንስ ሊግ ኣውሮጳ ዝሳተፋ ክለባት ካብ 32 ናብ 36 ክብል ምዃኑ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ሓቢሩ። ብመሰረት እቲ ሓድሽ ውሳነ፡ ካብ ዓመተ ውድድር ካብ 2024-25 ጀሚሩ፡ ነፍሲ ወከፍ ጋንታ ኣብ 10 ሰሙናት 8 ጸወታታት ከተካይድ እያ። ኣብ ዝሓለፈ ውድድራት ዝነበረን ውጽኢት መሰረት ብምግባር፡ ክልተ ክለባት ናብቲ ውድድር ክውሰኻ ዝቐረበ ጠለብ ግን ተቐባልነት ኣይረኸበን። ፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ኣክሳንደር ሰፈሪን ከም ዝበሎ \"እቲ ውድድር ንኹለን ሕልሚ ዘለወን ክለባት ክፉት ኮይኑ ክቕጽል'ዩ\"። ኣብ ክንድኡ፡ ክልተ ካብቲ ኣርባዕተ ተወሳኺ ቦታታት ብሃገር ደረጃ ንዝህሉ ውጽኢት ክለባት ክወሃብ'ዩ። እቲ ሳልሳይ ቦታ ድማ፡ ብደረጃ ሃገር ኣብ ሳልሳይ ዝስራዕ ሊግ ሓሙሸይቲ ንዝወጽአት ክለብ ክወሃብ'ዩ። ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ከም ዝበሎ፡ እቲ ራብዓይ ቦታ ቻምፕዮን ብምዃን ንዝተዓወተት ብንቡር መስርሕ ናብ ዝቕጽል ቻምፕዮንስ ኣውሮጳ ክትኣቱ ዘይክኣለት ክለብ ክወሃብ ተወሲኑ'ሎ። ኣብ ሕሉፍ ውጽኢት ተሳታፍነት ቻምፕዮንስ ሊግ ኣውሮጳ ዝምርኮስ እማመ ግን፡ ንሓያላት ክለባት ዝያዳ ዕድል ዝህብ ብምዃኑ ተቐባልነት ኣይረኸበን። እቲ ውሳነ ብኹሎም ኣባላት ፈጻሚ ኣካል ፈደረሽን ኣውሮጳ ዝተደገፈ ዝረኸበ ምንባሩ ሰፈሪን ጠቒሱ። \"ስለዚ፡ ተሳታፍነት ኣብ ስፖርታዊ ብቕዓት ዝተሞርኮሰ ኮይኑ፡ ንኹለን ክሳተፋ ዝምነያ ክለባት ክፉት ክኸውን'ዩ\" ኢሉ። በዚ ሓድሽ ቅዲ መሰረት፡ ጋንታታት ናብ ኣርባዕተ ኣባላት ዝሓዘ 8 ምድባት ክኽፈላ እየን። ኣብ ክልተ እግሪ ኣብ ዝካየድ 6 ግጥማት ድማ ክሳተፋ እየን። እተን ክልተ ዝለዓለ ነጥቢ ዘዋህለላ ድማ፡ ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ምስ ተቐየረ ድማ ናብ ጉጅለ 16 ይሓልፋ። ማዕረ ነጥቢ ዘዋህለላ እንተኾነን ድማ ኣብ ሜዳታተን ናይ ክልተ እግሪ ይጻወታ። ናይ መወዳእታ ፍጸመ ድማ ኣብ ካልእ ናጻ ሜዳ ይጋጠማ። ኣብ ቀዳማይ ገጽ ናይቲ ውድድር፡ ሓደ ንኹለን ጋንታታት ዘጠቓልል ንጽል ሰሌዳ'ዩ ክህሉ። በዚ መሰረት፡ ነፍሲ ወከፍ ክለብ፡ ኣንጻር ዝተፈላለያ ጋንታታት 8 ግጥማት ከተካይድ'ያ፤ ኣርባዕተ ኣብ ሜዳኣ እቲ ዝተረፈ ኣርባዕተ ድ ማ ኣብ ሜዳታት ካልኦት። እተን ቀዳሞት 8 ጋንታታት ድማ ናብ ኣውድቒካ ምሕላፍ ክሰግራ እየን። ካብ መበል 9ይ ክሳብ መበል 24 ዘለዋ ግን፡ ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ንክሰግራ ክልተ እግሪ ጸወታታት ከካይዳ ክግዳዳ እየን። እቲ 'ብዩሮፓ ሊግ' ዝጽዋዕ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝስራዕን ኣብ 3ይ ደረጃ ዝስራዕ ኮንፈረንስ ሊግ ኣውሮጳ'ውን ተመሳሳሊ ቅርጺ ክህልዎ ምዃኑን ኣብ ቀዳማይ ገጽ ክልቲኡ ውድድራት 36 ጋንታታት ከሳትፍ ምዃኑን ተፈሊጡ። ን240 ክለባት ዝውክል ማሕበር ክለባት ኣውሮጳ፡ \"ንዘላቒ፡ ሓላፍነታውን ኣሳታፍን ብዝኾነ መንገዲ ንዕብየት ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ዕድል ዝህብን'ዩ\" ብምባል ነቲ ብፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ዝጸደቕ ሓድሽ ውሳነ ከም ዝድግፎ ኣፍሊጡ'ሎ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61405169"} {"headline":"ዩክረይን ኲናት ደው ንምባል መሬታ ንሩስያ ከምዘይትህብ ኣፍሊጣ","content":"መንግስቲ ዩክረይን፡ ግዝኣቱ ንሩስያ ኣሕሊፍካ ብምሃብ ንዝግበር ምቁራጽ ተዅሲ ከም ዘይሰማማዕ ኣፍሊጡ። ዩክረይን ነዚ ተሪር መግለጺ ዝሃበት፡ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ እቲ ኲናት ብዲፕሎማሲ ጥራሕ ድሕሪ ምግላጹ እያ። ኣማኻሪ ፕረዚደንት፡ ሚኻይሎ ፖለዶልያክ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሕድገት ንዝዓበየን ዝያዳ ደማውን ወራር መጥቃዕትታት ሩስያ ከቃልዕ ከም ዝኽእል ተዛሪቡ። ሩስያ ብወገና ነቶም ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ንእትርከብ ከተማ ሰቨሮዶነስክ ዝከላኸሉ ዘለው ወተሃደራት ንምክርዳን ጻዕርታታ ኣሐዪላ እያ። ብኻልእ ወገን ፕረዚደንት ፖላንድ ኣንድረዘጅ ዱዳ፡ ፈላማይ ኣብ ኪቭ ኣብ ፓርላማ ዩክረይን ብኣካል ብምርካብ መደረ ዘስምዐ መራሒ ኮይኑ ኣሎ። ንሱ፡ ብዛዕባ መጻኢ ዩክረይን ክውስኑ ዝኽእሉ ዩክሬናውያን ጥራሕ እዮም ድሕሪ ምባሉ ኣባላት እቲ ፓርላማ ደው ኢሎም ኣጣቒዖምሉ። ዩክረይን ናብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ንክትጽንበር፡ ሃገሩ ዝከኣላ ዘበለ ኩሉ ክትገብር ምዃና'ውን ተዛሪቡ። እንተኾነ ግና ሚኒስተር ኣውሮጳ ፈረንሳ፡ ክለመንት በውን ብሰንበት ምስ ሓንቲ ማእከን ዜና ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ መስርሕ ምጽንባር ዩክረይን ናብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ካብ 15 ክሳዕ 20 ዓመታት ክወስድ ከም ዝኽእል ገሊጹ። ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ዩክረይን ኲናት ክቕጽል እንከሎ፡ ሓይልታት ሩስያ ንምምሕዳራዊ ዶባት ዞባ ሉሃንስክ ንምብጻሕ ንምክልኻል ዩክረይን ክጥሕሱ ይፍትኑ ከምዘለው ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ዩክረይን ኣብቲ መዓልታዊ ዝህቦ ጸብጻብ ሓቢሩ። ሩስያ ናብ ሰቨሮዶነስክ ንምጥሓስ ብኣርባዕተ ሸነኻት ፈተነ ከም ዘካየደት ኣመሓዳሪ ዞባ ሉሃንስክ ሰርሂ ሃይዳል ገሊጹ። እቲ ፈተነታት ከምዘይተዓወተ ዝገለጸ እቲ ኣመሓዳሪ፡ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ገዛውቲ ደብዳብ ይካየድ ከም ዘሎን ነታ ከተማ ምስ ሊይሲቻንስክ ዘራኽብ ድልድል ከምዝዓነወ ኣረዲኡ። ቢቢሲ ነቲ ክስታት ብነጻ ኣካል ከጻርዮ ኣይከኣለን። ገለ ሃገራት ምዕራብ ምቁራጽ ተዅሲ ክግበር ክጽውዓ እንከለዋ፡ ሩስያ ኣብ ገለ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ ዝጀመረትሉ 24 ለካቲት ንደሓር ኣብ ዝተቖጻጸረቶ ግዝኣታት ክትጸንሕ ዘኽእል ሓሳባት የቕርባ ኣለዋ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ማርዮ ድራጊ ብሓሙስ ንባይቶ ሃገሩ ኣብ ዘስምዖ ቃል ስምምዕ ምቁራጽ ተዅሲ \"ብዝቐልጠፈ ክብጻሕ ኣለዎ\" ኢሉ። ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዩክረይን ግና ከምዚ ዓይነት ሓሳባት ነቲ ኩነታት ከም ዘጋድድ ገሊጹ። \"እቲ ኲናት ደው ኣይብልን እዩ። ንግዚኡ እዩ ክቋረጽ። ካልእ ዝዓበየን ደማውን ሓድሽ መጥቃዕቲ እዮም ክጅምሩ\" ኢሉ። ኣብዚ እዋን ኣብ መንጎ መርገጺታት ሩስያን ዩክረይንን ዘቀራርብ ሓሳብ ምርካብ ከቢድ ምዃኑ ኣብ ርእሰ ከተማ ዩክረይን ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ይሕብር።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61547625"} {"headline":"ኲናት ዩክሬን: ንፑቲን ንምድጋፍ ዘገልገሉ ዝተሰረቑ ገጻት ፍሉጣት ሰባት","content":"ህንዳዊት ጸላዊት ማሕበራዊ ሚዲያ ኢኣር ያሚኒ ኣብ ትዊተር ጽሒፋ ኣይትፈልጥን፤ እኳ ደኣ ነቶም ብዙሓት ኣድነቕታን ሰዓብታን ብኢንስተግራምን ዩትዩብን ጥራይ እያ ትረኽቦም። ኣብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት ግን፡ ሓደ ብናታ ስእሊ ዝተኸፍተ ትዊተር \"#ኣብ ጐድኒ ፑቲን'የ። ሓቀኛ ምሕዝነት\" [\"#IStandWithPutin. True Friendship\"] ኢሉ ጽሒፉ። እዚ ጽሑፍ፡ ብምስሊ ክልተ ዝተሓቛቘፉ ደቂ ተባዕትዮ [ሓደኡ ንህንዲ እቲ ሓደ ድማ ንሩስያ ዝወከለ] ዘርኢ ቪድዮ'ውን ዝተሰነየ ነይሩ። ያሚኒ ግን፡ ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ንዩክሬን ኮነ ሩስያ ኣይትድግፍን። \"ኣድነቕተይ ነቲ ጽሑፍ ትዊተር እንተርእዮምዎ፡ ብዛዕባይ እንታይ ኢሎም'ዮም ክሓስቡ? ንዕላማኦም ናተይ ስእሊ እንተዘይጥቀሙ ደስ ምበለኒ፡\" ትብል። እዚ ናይ ሓሶት መጥቀሚ፡ ኣካል'ቲ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ትዊተር ንምጉላሕ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ'ዩ። እዚኦም፡ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ መጋቢት #IStandWithPutin ከምኡ'ውን #IStandWithRussia ዝብሉ ሃሽታጋት ይጥቀሙ ነይሮም። እዚ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብብዝሒ ትረንድ ክገብር እንከሎ፡ ብፍላይ ኣብ ሃገራት ህንዲ፡ ፓኪስታን፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ናይጀርያን ነቲ ኲናት ዝድግፉ ዝንባለታት ክርኣዩ ገይሩ'ዩ። ገሊኦም ከምዚኦም ዝበሉ ምንቅስቓሳት ብሓቂ ንፑቲንን ሩስያን ዘለዎም ድጋፍ ብዝገልጹ ትኽክለኛ ሰባት ዝገበርዎም እዮም። ካልኦት ብዙሓት ኣካውንታት ግን ሓቀኛ ኣይኮኑን። እዚኦም ኣብ ሓደ እዋን ብዙሓት መልእኽታት መመሊሶም ዝጥቅዑ፣ ውሑዳት ናይ ባዕሎም መልእኽቲ ዝጽሕፉን ኣብ ቀረባ እዋናት ዝተኸፍቱን እዮም። ሓደ ካብ መስረትቲ ብኦንላይን ዝበጽሑ ሓደጋታትን ግጉይ ሓበሬታን ዘጽንዕ ኩባንያ ኢኤኤስኤም ቴክኖሎጂ ካርል ሚለር፡ \"መብዛሕትኦም ብናይ ሓሶት መጥቀሚ ዝተኸፍቱ ኣብ ገለ ሃገራት ንፑቲን ዘሎ ድጋፍ ዘጕልሑ ዝነበሩ'ዮም፡\" ኢሉ። እቲ ኩባንያ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ጥራይ ንሩስያ ዘለዎም ድጋፍ ንምግላጽ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝተኸፈቱ 9907 መጠቀሚታት ረኺቡ'ዩ። ካብዚኦም እቶም ልዕሊ ሓደ ሽሕ ድማ ናይ ስፓም ባህሪያት ዘለዎም ኮይኖም ረኺብዎም። ቢቢሲ'ውን ኣማኢት ከምዚኦም ዝበሉ ዘይሓቀኛ ገጻት መርመራ ገይሩ'ዩ። በዚ፡ ከምአቲ ሚለር'ውን ዝሓስቦ ትኽክለኛ መሲሎም ክሓልፉ ዝደልዩ ናይ ሓሶት ገጻት ምዃኖም ኣረጋጊጹ። ሪቨርስ ኢሜጅስ ተጠቒምና እቶም ነዚ ዕላማ ዝውዕሉ ዘለው ኣሳእል፡ ካብ ፍሉጣት ሰባት፣ ጸለውትን ተራ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያን ዝተወስዱ፡ ግን ከኣ ስእልታቶም ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ንዝኸፈተቶ ኲናት ንምድጋፍ ይውዕሉ ከም ዘለው ዘይፈልጡ ምዃኖም ክንፈልጥ ክኢልና። እዞም መጥቀሚታት መን ከፊትዎም ወይ'ውን ምስ መንግስቲ ሩስያ ዘለዎም ርክብ እንታይ'ዩ ዝብል ግን ክንፈልጥ ኣይከኣልናን። ንኣብነት፡ ፕሪቲ ሻርማ ብዝብል ሽም ዝተኸፍተ መጠቀሚ፡ ኣብ ሚያሚ እትቕመጥ መበቆላ ካብ ህንዲ ናይ ዝኾነት \"ሞዴልን ፈጣሪት ስራሕን\" ከም ዝኾነ ይገልጽ። እዚ፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ወራር ሩስያ ብ26 ለካቲት ዝተኸፍተ እዩ። ሓደ በቲ ትዊተር ዝተለጠፉ ጽሑፋት \"ፑቲን ጽቡቕ ሰብ እዩ\" ይብል። ኣብዚ ትዊተር ዝወዓለ ስእሊ ግን ኣብ ካልእ ዓለም ናይ ዘላ ውልቀሰብ እዩ። ኣብ ኢንስተግራም 1.5 ሚሊዮን ሰዓብቲ ዘለውዋን ሓሓሊፉ ትዊተር እትጥቀምን ኣውስትራሊያዊት ጸላዊት ማሕበራዊ ሚዲያ ኒኮሌ ቶርን፡ ስእላ ምዃኑ እትገልጽ ውልቀሰብ ተጠቒማትሉ ወይ ተጠቒሙሉ። ህንዳዊ ደራፊ ራጃ ጉጃር ክመስል ዝፈተነ ካልእ መጥቀሚ ድማ ኣሎ። ብ24 ለካቲት'ዩ ንመጀመርታኡ ትዊት ገይሩ። እዚ ኸኣ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ወራር ሩስያ እዩ። ኵሎም በዚ መጠቀሚ ዝተለጠፉ 178 ጽሑፋት ድማ ሪትዊት ዝተገብሩ'ዮም። ቢቢሲ፡ ንትሮንን ጉጃርን ረኺቡዎም'ዩ፤ ክልቲኦም እዞም ኣካውንታት ናትና ኣይኮኑን ኢሎም። ኵሎም መርመራ ዝገበርናሎም ኣካውንታት ግን ዘይሓቀኛታት እዮም ክንብል ኣይንኽእልን። ንኣብነት፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2022 ተኸፊቱ ብ2 መጋቢት ትዊት ምግባር ዝጀመረ ሓደ ገጽ ንውሰድ። ዋላ ሓደ ዝስዕቦ የብሉን፤ ቢቢሲ ነቲ ዝተጠቐመሉ ስእሊ ብሪቨርስ ኢሜጅ ገይሩ ከጻርዮ እንከሎ፡ ናይ ሓደ ኣብ ሊንክዲን ዘሎ ህንዳዊ መንእሰይ ኮይኑ ረኺብዎ። ግን ድማ ሓቀኛ'ዩ፤ ሴንትል ኩማር ዝተባህለ ኢሮነቲክ ኢንጂንየር ዝኸፈቶ ኣካውንት እዩ። ስለ ምንታይ ንሩስያ ዝድግፉ መልእኽታት ንምጥቃዕ ጥራይ ከም ዝኸፈቶ ሓቲትናዮ። \"ወትሩ ትዊተር ከፊተ ብብዝሒ ሰባት ዝዘራረብሉ ዘለው ነገር እየ ዝርኢ፣ ስለዚ እቶም ዝተለጠፉ ርእየ መሊሰ ለጢፈዮም፡\" ኢሉ። ኣብ ሕሉፍ ሩስያ ንህንዲ ደጊፋታ'ያ፤ ስለዚ ህንዳውያን ሕጂ ንሩስያ ክድግፉ ኣለዎም ኢሉ ይኣምን። እዞም መጥቀሚታት፡ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ምዕራብ ዘለዎም ነቐፌታ ዝሓወሱን ኣብ ሞንጎ ሃገራት ብሪክስ ተባሂለን ዝጽውዓ [ብራዚል፡ ሩስያ፡ ህንዲ፡ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን] ዘሎ ሓድነት ብምግላጽ ንፑቲን ዘለዎም ድጋፍ ዘርእዩ'ዮም። ዝኾኑ መጥቀሚታት ሓቅነት ኣለዎም'ዶ የብሎምን ዝብል፡ እቲ ዝተኸፈተሉ ግዜ፣ ኣብ መዓልቲ ን24 ሰዓታት ትዊተር ዝገብሩ እንተኾይኖምን ዝጽሕፉሎም ጉዳያትን ርኢኻ ብቐሊሉ ምፍላጥ ከም ዝክኣል ሚለር ገሊጹ። ኢኤኤስኤም፡ ንመርኣዪ ካብ ዝመዘዞም 100 መጠቀሚታት ትዊተር እቶም 41 ስእሊ ከም ዘይብሎም ቢቢሲ ኣረጋጊጹ። ካልኦት 30 ካርቱን መሳሊ ስእሊ ወይ'ውን ከም ፑቲን ወይ ወናኒ ፈይስቡክ ማርክ ዙከርበርግ ዝበሉ ስእሊታት ዝተጠቐሙ'ዮም። እቶም ዝተረፉ ስእሊ እቶም ዝተሰረቑ ገጻት ፍሉጣት ሰባት ዝተጠቐሙ ነይሮም። ትዊተር፡ \"ካልኦት ንምትላል፡ ንምድንጋር ወይ ግጉይ ሓበሬታ ንምሃብ ንኻልኦት ውልቀሰባት፡ ጉጅለታት ወይ ትካላት፡\" ምምሳል ይኽልክል እዩ። እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ንሕግታት እቲ ትካል ዝጥሓሱ ልዕሊ 100 ሽሕ መጠቀሚታት ከም ዝኣለየ ሓቢሩ። መብዛሕትኦም ድማ ምስቶም #IStandWithRussia ከምኡ'ውን #IStandWithPutin ዝብሉ ሃሽታጋት ዝተኣሳሰሩ'ዮም።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61389985"} {"headline":"ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ኣውሮጳ፡ ንደገፍቲ ሊቨርፑልን ማድሪድን ይቕረታ ሓቲቱ","content":"ኣብ መዛዘሚ ጸወታ ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮፓ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ኵነታት፡ ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ኣውሮጳ - ዩኤፋ- ንኵሎም ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተሳተፉ ደገፍቲ ሊቨርፑልን ሪያል ማድሪድን ይቕረታ ብምሕታት፣ ከምዚ ዓይነት ተጓንፎ ድሕሪ ሕጂ ከምዘይድገም ገሊጹ። ደገፍቲ ሊቨርፑል፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም 28 ግንቦት ኣብ ፓሪስ - ፈረንሳ ዝተኻየደ መዛዘሚ ጸወታ ዝተፈጥረ ዕግርግር፡ ብሰንኪ ኣባላት ፖሊስ፡ ትካላዊ ድኽመትን ልዕሊ ዓቐን ጽቕጥቕን ዝተፈጥረ ምዃኑ እዮም ዝገልጹ። ሪያል ማድሪድ ብወገና፡ ብዛዕባ’ቲ \"ዘሕዝን ፍጻመታት\" መልሲ ክወሃባ ሓቲታ። ብዓርቢ ዝወጽአ መግለጺ ሪያል ማድሪድ፡ ስለምንታይ ስታድዮም ‘ፍራንስ’ ንመዛዘሚ ጸወታ ከም ዝተመርጸ፣ ብዛዕባ’ቶም ብዘይብቝዕ ሓለዋ ግዳያት ኰይኖም ዝተረፉ ደገፍቲ ሓላፍነት ዝወስድ ኣካልን ምስኡ ዝዛመዱ ጕዳያት ብምጥቃስ መብርሂ ዝሓትት እዩ። \"ዝኾነ ደጋፊ ኵዕሶ እግሪ ንኸምኡ ዓይነት ኵነታት ክቃላዕ ኣይግባእን፣ ከምዚ ዓይነት ነገር ዳግማይ ክፍጠር የብሉን፡\" ይብል መግለጺ ዩኤፋ። “ኣብቲ ዓቢይ ጽምብል ኵዕሶ እግሪ ክለባት ኣውሮጳ ክኸውን ዝነበሮ፡ ምሸት 28 ግንቦት 2022 ኣብ ፓሪስ ዝተኻየደ መዛዘሚ ጸወታ፡ እቲ ክኸውን ዘይግባኦ ዝነበረ ዘሕዝንን ዘሰንብድን ፍጻመታት ዝተጓነፎም ተዓዘብቲ፡ ዩዌፋ ካብ ልቢ ይቕሬታ ክሓትት ይደሊ።\" ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ብወገኑ፡ እቶም ትኬቶም ሒዞም ናብቲ ስታድዮም ከይኣትው ብኣባላት ጸጥታ ዝተዓገቱ ተዓዘብቲ፡ \"ኣብ ዝቐለጠፈ ግዜ ትኬቶም ክምለሰሎም ኣለዎ፡” ኢሉ። ማክሮን፡ \"እቶም ንየው ነጀው ዝተኸላበቱን ንዝኸፈሉሉ መንበር ክረኽቡ ዘይከኣሉን ተዓዘብቲ የተሓሳስቡኒ፡” ኢሉ። ኣብ ርእሲ'ዚ ማክሮን፡ \"መንግስቲ እንታይ ከምዘጋጠመ ከነጽር፡ ሓላፍነት ክውስድን ብዛዕባ’ቲ ኵነታት ንእንግሊዛውያንን ስጳኛውያንን ፈተውትና ብዝርዝር ከረድኦምን ሓቲተ ኣለኹ፡\" ኢሉ። ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ኣውሮጳ፡ ኣብቲ ኵነታት ካብ መጀመርታ ክሳብ ፍጻመ እንታይ ከም ዘጋጠመ፡ ከምኡ’ውን ካብኡ እንታይ ትምህርቲ ክውሰድ ከም ዝኽእል፡ ብዶክተር ቲያጎ ብራንዳኦ ሮድሪገዝ ካብ ፖርቱጋል ብዝምራሕ ናጻ ጕጅለ ክምርመር ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ። ሰበስልጣን ፈረንሳን ዩኤፋን፡ እቶም ደንጉዮም ዝመጽኡን፡ ናይ ሓሶት ትኬትን ዝሓዙን ተዓዘብቲ ጠንቂ ናይቲ ካብ ስታድዩም ፍራንስ ወጻኢ ዝተራእዩ ህውከትን፡ ምድንጓይ እቲ ጸወታ ብልዕሊ ፍርቂ ሰዓትን ምዃኖም ክወቕሱ ተሰሚዖም እዮም። ፖሊስ ኣብ ገለ ደገፍቲ ዘንብዕ ጋዝን ዝንጸግ በርበረን ተጠቒሞም። ብተወሳኺ፡ ጕጅለ ዓዋሉ’ቲ ከባቢ፡ ንገለ ደገፍቲ ዒላማ ከም ዝገበሩ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ። ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ጄራልድ ዳርማኒን፡ ኣብቲ መዛዘሚ መዓልቲ ህውከት ዘለዓዓሉ እንግሊዛውያን ደገፍቲ ጥራሕ እዮም ኢሉ። ነዚ መግለጺ ሚኒስተር ፈረንሳ መበገሲ ገይሩ፡ ዋና ዳይሬክተር ሊቨርፑ ቢሊ ሆጋን፡ \"እቲ ዝሓለፈ ቀዳም [ደገፍቲ] ዘጋጠሞም ቃንዛ፡ ሓዘን፡ መጕዳእቲ ከይኣክል ሕጂ ድማ ብሓደ ፈረንሳዊ ሚኒስተር፡ ደገፍቲ ሊቨርፑል ጥራይ’ዮም ጸገም ናይቲ ህወከት ምባሉ ‘ዘሕፍር’ ጥራይ'ዩ፡\" ኢሉ። ሆጋን ብሓሙስ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ \"ንዩኤፋ፡ ኣብ ዘካይድዎ መርመራ ክምልስዎ ዝግባእ 13 ሕቶታት ኣልዒልና ጽሒፍናሎም ኣለና፡\" ይብል። መግለጺ ዩኤፋ፡ \"እቲ መርመራ፡ ምሉእ ስእሊ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ስታድዩምን ከባቢኡን ኣብቲ መዓልቲ ዘጋጠመ፡ ብግዜ ዝተታሕዘ ፍጻመታት ንምርኣይ ዝዓለመ እዩ፤ ብመንገዲ ዝተፈላለዩ መእተዊታት ኣቢሉ ናብ ስታድዩም ዝመጽአ ዋሕዚ ተዓዘብቲ’ውን ብሓገዝ ዝተፈላለየ መሳርሒታት ክምርመር እዩ፡” ክብል የነጽር። ሓደ ካብ ኣርካናት ክለብ ሊቨርፑል ዝዀነ ሰር ኬኒ ዳግሊሽ፡ እቲ ይቕሬታ ምሕታት ጽቡቕ ጅምር ‘ኳ እንተዀነ፡ ገና ነዊሕ ዝተርፍ ኣሎ፡ ክብል ዘይዕጕብነቱ ገሊጹ’ሎ። \"እዚ ይቕሬታ፡ ብዛዕባ ምድንጓይ ምጅማር ጸወታ ዝተዋህበ ናይ ሓሶት መልእኽቲ፡ ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ ኣብ ደገ ዘጓነፈ ፍጻመታት፡ ወይ ድሕሪኡ ዝሰዓበ ዕንወትን ኣየጠቓልል እዩ፡\" ይብል ዳግሊሽ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw84qend16no"} {"headline":"ኲናት ዩክረይን፡ ሃገራት ምዕራብ ተወሳኺ ኣጽዋር ናብ ኪቭ ክልእኻ እየን","content":"ዩክረይን ነቲ ብሩስያ ዝተኸፈታ ሓድሽ መጥቃዕቲ ክትምክት፡ ደገፍታ ተወሳኺ ኣጽዋር ንምልኣኽ ቃል ኣትየን፡፡ ኣመሪካ እትርከበን ደገፍቲ ዩክረይን ብሰሉስ ኣብ ዘካየደኦ ናይ ቪድዮ ኣኼባ ከበድቲ ኣጽዋር፣ ጸረ ታንክን መከላኸሊ ኣየርን ናብ ዩክረይን ንምልኣኽ ተመጻቢዐን ኣለዋ፡፡ ሩስያ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ኣዝዩ ዝተፈረሐ ሓድሽ ወታሃደራዊ ወፍሪ ምጅማራ ስዒቡ፡ ዩክረይን ዓርሳ ንምክልኻል ሓገዝ ኣጽዋራት ከምዘድልያ ትገልጽ፡፡ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ብሰኑይ ‘‘ዶንባስ ንምሓዝ ዝግበር ኲናት ተጀሚሩ’’ ክብል ምግላጹ ዝዝከር እዩ፡፡ ሩስያ ኣብዚ እዋን ኣብቲ ግዝኣታት ሉሃንስክን ዶነስክን ዘጠቓለለ ዞባ ዶንባስ ትኹረት ዝገበረ መጥቃዕቲ እያ እተካይድ ዘላ፡፡ ብመሰረት ጸብጻብ ዩክረይን፡ ሓይልታት ሩስያ ካብ ሰኑይ ጀሚሮም ኣብ መላእ እቲ ን 480 ኪሜ ዝዝርጋሕ ድፋዓት ዩክረይን መጥቃዕቲ ከፊቶም ኣለው። ሩስያ ሓድሽ ወፍሪ ምጅማራ ስዒቡ ምዕራባውያን መራሕቲ ብዛዕባ ንዩክረይን ዝገብርዎ ወታሃደራዊ ሓገዝ ዘትዮም ኣለዉ፡፡ ድሕሪ እቲ ኣኼባ፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ: ቁጽሪ ነፈርቲ ዩክረይን ንምውሳኽን ዝተበላሸዋ ንምዕራይን ተወሰኽቲ ነፈርትን መለዋወጢ ኣካላትን ከምዝተልኣኸ ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡ ኣመሪካ ባዕላ ነፈርቲ ከምዘይኣለኸት ዝሓበረ እቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ካብ ኣየኖት ሃገራት ከምዝተልኣኸ እውን ኣይገለጸን፡፡ ፕረዚደነት ዘለንስኪ፡ ኣመሪካ ኣብ ዩክረይን ካብ በረራ ነጻ ክልል ክትእውጅ እንተዘይክኢላ ስራሓት ሶቭየት ዝኾነ ጸረ-ነፈርቲ ክትህባ ክጽውዕ ጸኒሑ እዩ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ፖላንድ ነፈርቲ ሚግ-29 ካብ ኣመሪካ ተቐቢላ ንዩክረይን ክትህባ ዘቕረበቶ ሓሳብ ኣመሪካ ተቓዊማቶ ነይራ፡፡ ፕረዚደንት ባይደን ድሕሪ እቲ ኣኼባ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሃገሩ ክንዲ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዕላዊ ዝገበረቶ ናይ 800 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ዝኸውን ተወሳኺ ወታሃደራዊ ድጋፍ ከምእትገብር ተዛሪቡ፡፡ ተወሳኺ ከበድቲ ኣጽዋርን ንናይ መሬት ውግእ ዘገልግል ከበድቲ ብረታትን ከምዝልእኽ እውን ገሊጹ፡፡ ካብ ኣመሪካ ብተወሳኺ ካልኦት ሃገራት እውን ናብ ዩክረይን ኣጽዋር ከምዝልእኻ ኣፍሊጠን ኣለዋ፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ድሕሪ እቲ ኣኼባ ኣብ ፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዘስመዖ ዘረባ፡ ዩክረይን ብዙሕ ኣጽዋር ከምዘድልያን ክልእኹላ ምዃኖምን ሓቢሩ፡፡ ቻንስለር ኦላፍ ስኮልዝ፡ ዩክረይን ካብ ጀርመናውያን ኣፍረይቲ ጸረ ታንክታትን ኣጽዋራትን ክትገዝእ ሃገሩ ገንዘባዊ ሓገዝ ከምእትገብረላ ኣፍሊጡ፡፡ ቼክ ሪፓብሊክ ብተመሳሳሊ ጉድኣት ዝበጸሐን ታንክታትን ድሩዓት መካይንን ዩክረይን ክትጽግን ምዃና ገሊጻ፡፡ እቶም መራሕቲ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ክውሰድ ብዛዕባ ዝኽእል ተወሳኺ ማዕቀብን ቀጻሊ ውሕስና ዩክረይንን እውን ዘትዮም፡፡ ሩስያ ብወገና ነቲ ንዩክረይን ዝወሃብ ኣጽዋራት ብትሪ ትቃወሞ ኣላ፡፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ኣመሪካን ንሳ እትቆጻጸረን ሃገራትን ነቲ ኲናት ንምንዋሕ ይጽዕራ ኣለዋ ክብል ከሲሱ፡፡","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61159077"} {"headline":"ኣብ ዩክረይን ዝተገብረ መጥቃዕቲ ጅማሮ ጥራሕ'ዩ - ቮልድሚር ዘለንስኪ","content":"ፕረዚደንት ዩክረይን፡ ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ብሓደ ሩስያዊ ጀነራል ንዝተዋሃበ ርእይቶ ብምጥቃስ፡ መጥቃዕትታት ሩስያ፡ ኣብ ዩክረይን ከምዘይብቅዕ ተዛሪቡ። እቲ ጀነራል ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ሞስኮ ንደቡባዊ ዩክረይን ክትቆጻጸር ዝደለየት፡ ካብ ሞልዶቫ ክትንጸል ንእትደሊ ዞባ ትራንስኒስትርያ ቅርበት ስለዘለዎ እዩ ምባሉ ይግለጽ። ሩስያ ንኻልኦት ሃገራት ናይ ምውራር ድሌት ኣለዋ ዝበለ እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ተኸፊቱ ዘሎ መጥቃዕቲ ጅማሮ ጥራሕ እዩ ኢሉ። እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ መዓልታዊ ዝህቦ መብርሂ፡ \"እዚ ነቲ ብተደጋጋሚ ክብሎ ዝጸናሕኩ መረጋገጺ እዩ፡ ወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ከም መጀመርታ እዩ፤ ብድሕሪኡ ናብ ካልኦት ሃገራት ክቕጽሉ እዩ ድሌቶም\" ኢሉ። \"ነዚ ሕልሚ ናይ ፌደሬሽን ሩስያ ምብርዓን ኣገዳሲ ክሳዕ ዝኾነ ንሕና ንገዛእ ርእስና ክንከላኸል ኢና። እንተኾነ ግና ኩለን እተን ከማና ብዓወት ህይወት ኣብ ልዕሊ ሞት ዝኣምና ሃገራት ምሳና ክቃለሳ ኣለወን። ንሕና ኣብዚ መስመር ኣብ ቅድሚት ስለዘሎና ክሕግዛና ይግባእ። ቀጺሉ ናብ መን እዩ? ቀጺሉ ክመጾ ዝኽእል ዝኽእል ዝኾነ ይኹን ኣካል ሎሚ ገለ ነገር ንኸይስእን ዘይሻራዊ ክኸውን እንተደልዩ፡ እቲ ዝኸፍአ ምርጫ እዩ። ምኽንያቱ ኩሉ ክትስእን ኢኻ\" ኢሉ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሞልዶቫ ብወገኑ ርእይቶ ሜጀር ጀነራል ሩስታም ሚነካየቭ ኣዝዩ ከምዘሻቐሎ ብምግላጽ፡ ንኣምባሳደር ሩስያ ጸዊዑ ከምዘዘራረበ ጸብጻባት ሓቢሮም። ሞልዶቫ ዘይሻራዊት ሃገር ምዃና ዝገለጸ እቲ ሚኒስትሪ፡ እዚ መትከል \"ፌደሬሽን ሩስያ ብእትርከቦም ኩሎም ዓለምለኻውያን ተዋሳእቲ ክኽበር ይግባእ\" ኢሉ። ብኻልእ ወገን ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ምስ መራሕቲ ሩስያን ዩክረይንን ክራኸብ ምዃኑ ተገሊጹ። ሰሉስ ኣብ ሞስኮ ምስ ቭላድሚር ፑቲን ክራኸብ ትጽቢት ዝግበረሉ እቲ ዋና ጸሓፊ ካብኡ ቀጺሉ ሓሙስ ናብ ኪቭ ብምምራሕ ምስ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ክራኸብ እዩ። እቲ ዋና ጸሓፊ ነቲ ግጭት ኣብ ምፍታሕ ንጡፍ ተራ ክጻወት ጸቕጥታት ክግበረሉ እዩ ጸኒሑ። ሩስያን ዩክረይንን ካብ መስረትቲ ሃገራት እቲ ውድብ እየን።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/61199882"} {"headline":"ሕቡራት ሃገራት ኲናት ዩክረይን ዓለምለኻዊ ቅልውላው መግቢ ከስዕብ'ዩ ክብል ኣጠንቂቑ","content":"ብሰንኪ እቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር፡ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ዓለምለኻዊ ሕጽረት መግቢ ከጋጥም'ዩ ክብል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ። ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተሬስ፡ እቲ ኲናት ብሰንኪ ወሰኽ ዋጋታት፡ ኣብ ድኻ ሃገራት ዘጋጠመ ሕጽረት ውሕስና መግቢ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ደይቡ ኣሎ ኢሉ። ወሲኹ፡ ምህርቲ ሰደድ ዩክረይን ናብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበሮ እንተዘይተመሊሱ፡ ዓለም ንዓመታት ክዘልቕ ዝኽእል ዓጸቦ ከጋጥማ'ዩ ክብል ተዛሪቡ። ልዑል መጠን ዘይቲ ሱፍ ከምኡ'ውን ከም ስርናይን ዕፉንን ዝበሉ ምህርታት ናብ ዕዳጋ ዓለም ሰደድ ዝግበረሎም ዝነበሩ ወደባት ዩክረይን ብሰንኪ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኣገልግሎት ይህቡ የለውን። እዚ ድማ፡ ዓለምለኻዊ ቀረባት ክንኪ ከምኡ'ውን ዋጋታት ሓለኽቲ ክንህር ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ። ውድብ ሕቡራት ከም ዝብሎ፡ ዓለምለኻዊ ዋጋ መግቢ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ክነጻጽር እንከሎ ልዕሊ 30 ሚኢታዊት ወሰኽ ኣርእዩ'ዩ። ኣንቶኒዮ ጉተረስ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ጎንጺ፡ ጽልዋታት ክሊማዊ ለውጥን ለበዳ ኮቪድን ተወሲኽዎ፡ \"ብዓሰርተታት ሚሊዮናት ንዝቑጸሩ ሰባት ንሕጽረት ውሕስና መግብን ንእኡ ስዒቦም ዝመጽኡ ሕጽረት መኣዛዊ መግቢ፣ ጥምየትን ዓጸቦን ከቃልዕ\" ምዃኑ ተዛሪቡ። \"ብሓባር እንተሰሪሕና፡ ሕጂ ኣብ ዓለም እኹል መግቢ ኣሎ'ዩ። እዚ ጸገም ሎሚ እንተዘይፈቲሕናዮ ግን ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ዓለምለኻዊ ሕጽረት መግቢ ክንርኢ ኢና\" ኢሉ። ፍርያት መግቢ ዩክረይን እንከየወሃሃድኻ ውጽኢታዊ ፍታሕ ቅልውላው መግቢ ምምጻእ ኣይክኣልን ክብል ዘጠንቀቐ እቲ ዋና ጸሓፊ፡ እቶም ናብ ዕዳጋ ዓለም ዝቐርቡ ሩስያን ቤላሩስን ዘፍርይኦም ድኹዒታት'ውን ኣብ ግምት ክኣትው ከም ዘለዎም ሓቢሩ። ምህርታት ሰደድ ናብ ንቡር ቦታኦም ንምምላስ ምስ ሩስያን ዩክረይንን ከምኡ'ውን ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን \"ጽዑቕ ርክብ\" ከም ዝነበሮ'ውን ገሊጹ። ወሲኹ፡ \"እቲ ዝተሓላለኸ ጸገማት ድሕነት፡ ቁጠባን ፋይናንሳዊ ጉዳያትን ሰናይ ፍቓድ ኩሉ ወገን ይደሊ'ዩ\" ኢሉ። ባንኪ ዓለም፡ ጸገም ውሕስና መግቢ ንምፍታሕ ንዝሕግዙ ፕሮጀክታት ዝውዕል ተወሳኺ ሓገዝ 12 ቢሊዮን ዶላር ከም ዝገብር ትማሊ ወግዓዊ ገይሩ። ሩስያን ዩክረይንን 30 ሚኢታዊት ቀረብ ስርናይ ዓለም ዘፍርያ ኮይነን፡ ቅድሚ እቲ ኲናት ዩክረይን ወርሓዊ 4.5 ሚሊየን ቶን ፍርያት ሕርሻ ሰደድ ትገብር ነይራ። ድሕሪ ወራር ሩስያ ግን፡ ምህርቲ ሰደድ ተዀሊፉ ዋጋታት ንሂሮም። ብቐዳም ህንዲ ሰደድ እትገብሮ ስርናይ ጠጠው ድሕሪ ምባላ'ውን ነቲ ኩነታት ኣጋዲድዎ ኣሎ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ዩክረይን ካብቲ ሕሉፍ ዘመነ ምህርቲ ዝተኣከበ ኣስታት 20 ሚሊዮን ቶን እኽሊ ምህላው ብምሕባር፡ እዚ ናብ ዕዳጋ ክዝርጋሕ እንተኽኢሉ እቲ ጸቕጢ ከፍኩሶ ከም ዝኽእል ሓቢሩ። ቅድሚ ወራር ሩስያ'ውን እንተኾነ ቑጽሪ ብሕጽረት ውሕስነት መግቢ ዝጥቅዑ ሰባት ይውስኽ'ኳ እንተነበረ፡ ሩስያ ግን እቲ ኩነታት ክጋደድ ትገብር ኣላ ክብል ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ጀርመን ከሲሱ። \"ሩስያ ናይ እኽሊ ኲናት ከፊታ ዓለምለኻዊ ቅልውላው መግቢ ተስዕብ ኣላ። እዚ ኽኣ ሚሊዮናት [ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን] ንሓደጋ ጥምየት ተንጸላልዮም ኣብ ዘለውሉ ግዜ'ያ ትገብሮ ዘላ\" ኢሉ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61504149"} {"headline":"ጥዕና፡ በዲዶ ህበይ፡ ምጽኣተ ሓድሽ ኣሻቓሊ ለበዳ'ዶ ይኸውን?","content":"ክሳብ ሕጂ፡ መብዛሕትና ካብ ጭንቅን ስግኣትን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣይተናገፍናን፤ ሕጂ ኸኣ ካልእ ቫይረስ መጺኡ ኣሎ። ንግዜኡ በዲዶ ህበይ እዩ ዝመስል ዘሎ። ኣብዚ ግዜ፡ ኣብተን ክርኣየለን ተባሂሉ ትጽቢት ዘይግበር ዝነበረ ብሪጣንያን ካልኦት 11 ሃገራትን ኣስታት 80 ሰባት በዚ ሕማም ከም ዝተለኸፉ ተረጋጊጹ ኣሎ። ብሰንኪ እዚ ቫይረስ፡ እንታይ'ዩ ዝምዕብል ዘሎ? ክንጭነቕ ድዩ ዘለና? ወይስ ምስ ኮቪድ-19 ዝኣመሰለ ለበዳ ብምሕላፍና ከዛንየያ'ዩ ዘለዎ? እንተዀነ እዚ ኮቪድ-19 ከም ዘይኰነ ንጻረ የድሊ። ዝርግሐ ፍንጣጣ ህበይ ንምቍጽጻር፡ ካብቲ ዝጸንሐ እገዳታት ምንቅስቓስ ብዙሕ ኣይረሓቕናን ኣለና። ይዅን'ምበር፡ እዚ ዘይተለምደን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥን ለበዳ በዲዶ ህበይ እዩ። እቲ ሕማም፡ ንተመራመርቲ ከይተረፈ'ዩ ኣተሓሳሳቢ ኰይኑ ዘሎ። እዚ ቫይረስ፡ ወትሩ ባህሪያቱ ክቐያይር እንከሎ የስግእ እዩ። ክሳብ ሕጂ ድማ፡ በዲዶ ህበይ ንምትንባዩ ቀሊል ኰይኑ እዩ ጸኒሑ። ብተፈጥሮ፡ ቫይረሳት እዚ ሕማም ኣብ እንስሳ በረኻ ዝርከቡ ኰይኖም ካብ ህበይ ንላዕሊ ኣብ ኣናጹ እዮም ዝነብሩ ተባሂሉ ይግመት። ኣብ ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከቡ ኣግራብ ሓደ ሰብ በቲ ሕማም እንተ ተለኺፉ እሞ ምስ ካልእ ሰብ እንተ ተራኺቡ እቲ ሕማም ይመሓላለፍ። በዚ ሕማም ዝተለኸፉ ሰባት፡ ቈርበቶም ሽፍ ይብል፤ ጸኒሑ ኸኣ እናሓበጠ ይኸይድ። እዚ ቫይረስ፡ ካብ ሓደ ሕሙም ሰብ ናብ ካልእ ጥዑይ ሰብ ንኽመሓላለፍ፡ ነዊሕ ናይ ምትንኻፍ ግዜ የድልዮ። እቲ ለበዳ ፈኲስ እንተዀይኑ፡ ባዕሉ ግዜኡ ሓልዩ የቋርጽ። እቶም ሕጂ ኣብ ብሪጣንያን ዝተፈላለያ ሃገራትን በዚ ቫይረስ ተለኺፎም ዘለው ሰባት፡ ናብ ካልኦት ሃገራት ተጓዒዞም ዝነበሩ'ዮም ተባሂሉ ኣሎ። ኣብዚ እዋን ዘተሓሳሳብ ጉዳይ ግን እዚ ዝስዕብ እዩ፤ ዳይረክተር 'ኢንስቲትዩት ሳይንስ ለበዳ' ኦክስፎርድ ፕሮፌሰር ሰር ፒተር ሆርቢ፡ \"ኣብ ዝተፈለየ ኵነታት ኢና ዘለና፤ ኣዝዩ ዝገርምን ዘጨንቕን እዩ፡\" ኢሉ። ወሲኹ፡ \"እዚ ኮቪድ ቁጽሪ ክልተ ኣይኮነን፤ ግን ድማ ከነወግዶ ዝግበኣና ቫይረስ እዩ። ስለዚ፡ እዚ ሕማም ከታጥሕ ከይተጸበና፡ ዝግባእ ስጕምቲታት መከላኸሊ ክንወስድ ኣለና፡\" ይብል። ንሕሙማት በዲዶ ህበይ ዝሓከም ዶክተር ኣድለር'ውን በዚ ይሰማማ \"እዚ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝርኣናዮ ቅርጺ ኣመዓባብላ ኣይኮነን፣ ዝገርም'ዩ፡\" ኢሉ። እዚ ለበዳ፡ ዝተፈለየ ምዃኑ'ኳ እንተ ተፈለጠ ስለ ምንታይ'ዩ ዝተፈለየ ኰይኑ ዝብል ግን ኣይፍለጥን። ክልተ ግምታት ግን ኣለው። ሓደ፡ እቲ ቫይረስ ተቐይሩ'ዩ ዝብል ኰይኑ፡ እቲ ካልኣይ፡ እቲ ናይ ቀደም ቫይረስ ክዝርግሓሉ ዝደሊ ምቹእ ግዜ ረኺቡ ኣሎ ዝብልን እዮም። እቲ ሕጂ ተራእዩ ዘሎ በዲዶ ህበይ፡ ምስቶም ኣብ 2018 ከምኡ'ውን 2019 ዝተራእዩ ዓይነታት ቫይረስ ኣዝዩ ዝተቐራረበ እዩ። እዚ፡ ናይ ሕጂ ግን ሓድሽ ዓሌት ድዩ ዝብል ኣይተረጋገጸን። ንዝሓለፉ ዓሰርታት ዓመታት፡ ዓለም ከም ኢቦላን ዚካን ዝኣመሰሉ ትጽቢት ዘይተገብሮም ዓበይቲ ለበዳታት ርእያ እያ። ካብዚ ከም እንምሃሮ፡ እቲ ቫይረስ ነዚ ኣጋጣሚ ንኽጥቀም ንርእሱ ክቕይር ኣለዎ። ፕሮፌሰር ሃይጂንን ሕማማት ትሮፒክን ለንደን ኣደም ኩቻርስኪ፡ \"ኢቦላ፡ ኣተሓሳሳቢ ክሳብ ዝኸውን፡ ንምግታኡ ቀሊል እዩ ኢልና ንሓስብ ነይርና፡\" ኢሉ። ሕደ-ጾታውያንን ምስ ክልተኡ ጾታ ዝራኸቡ ደቂ ተባዕትዮን ግን ስለምንታይ ዝያዳ በዚ ሕማም ዝልከፉ ዘለው? ኣጋጣሚ ድዩ? ወይስ ንሳቶም ብዛዕባ ጾታዊ ጥዕናን ብቐጻልነት ምርመራ ኣብ ምግባር ግዱሳት ስለዝዀኑ እዩ? ንጹር ኣይኮነን። እዚ ለበዳ ባዕሉ ክጠፍእ'ዩ ኢሉ ትጽቢት ዝገብር ዶክተር ኣድለር፡ \"ዝያዳ ኣብ ዘመነ በዲዶ ካብ ዝነበረ ፍጥነት ንላዕሊ ይስፋሕፋሕ ኣሎ። ግን ከኣ ዝርጋሐኡ እናወሰኸ ከም ዝኸይድ ዘመላኽት ነገራት ኣይርኣናን፡\" ኢሉ። እቶም ክሳብ ሕጂ በዚ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት፡ ብኸመይ እዮም ተታሒዞም ዝብል መርኣዪ ኣይህቡን ዘለው። ስለዚ፡ እዚ ቫይረስ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ጥራይ ዘይኮነ ካብኡ ወጻኢ'ውን ክህሉ ይኽእል'ዩ። ይዅን'ምበር \"ህዝቢ ብዙሕ ክጭነቕ ዘለዎ ኣይመስለንን። ኵሎም ምስቲ ቫይረስ ዝተሓሓዙ ነገራት ኣይፈለጥናዮምን ዘለና፤ ኣይተቘጻጸርናዮን'ውን፡\" ኣብ ትካል ሃይጅንን ሕክምና ትሮፒክን ለንደን ፕሮፌሰር ጂሚ ዎትዎርዝ ይገልጽ። ክዝንጋዕ ዘይብሉ ግን፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ዝነበርናሉ ኵነታት ኣይኮንናን ዘለና። በዲዶ ህበይ ሓድሽ ዘይኮነ፡ ኣቐዲሙ ዝፍለጥ ዝነበረ ቫይረስ እዩ፤ ክታበትን ሕክምናን'ውን ኣለዎ። መብዛሕትኡ ቀልጢፉ ዝሓዊ ኰይኑ፡ ኣብ ህጻናት፡ ነፍሰ ጾር ኣደታትን ድኹም ዓቕሚ ምክልኻል ኣብ ዘለዎም ሰባት ግን ኣዝዩ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል። ብመንጽር ኮቪድ ክርአ እንከሎ፡ እዚ ሕማም ናይ ምትሕልላፍ ተኽእሎኡ ዝሕል ዝበለ እዩ። ፍሉይን ቃንዛ ዘለዎ ሳሓ ስለ ዘርኢ ኸኣ፡ ብቐሊሉ ክፍለጥ ይኽእል። ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኤውሮጳ፡ ሃንስ ክሉጅ ግን፡ \"ሰባት ብብዝሒ ኣብ ዝእከቡሎም፡ በዓላትን ውራያትን ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ክሰፍሕ ይኽእል'ዩ፡\" ክብል ኣጠንቂቑ።ዕ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61540229"} {"headline":"ሚኖ፡ ንኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ከም ድላዩ ዝዝውር ዝነበረ ፍሉጥ በዓል ሃፍቲ ሞይቱ","content":"\"ሚኖ\" ብዝብል ብሰፊሑ ዝፍለጥን ንኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ከም ድላዩ ዘሽከርክር ዝነበረን በዓል ጸጋ ሞይቱ። ጥሙር ዜግነት ሆላንድን ጣልንያንን ዘለዎ ሚኖ፡ ከም በዓል ቅድሚት-ተጻዋቲ ሃላንድ ዶርትመንዱ፣ ተጻዋቲ ማንችስተር ዩናይትዱ ፖል ፖግባ፣ ዝላታን ኢብራሂሞቪች፣ ሄንሪክ ሚኪታሪያንን ዴ ሊት ዝኣመሰሉ ህቡባት ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ወኪል እዩ ነይሩ። ብተወሳኺ ሚኖ፡ ፕሬዝደንት ወኪል ተጻወትቲ ፍሉጥ ማሕበር 'ፉትቦል ፎረም' እዩ። ህይወቱ ምስ ሓለፈት፡ 'ሚኖ ንዘልኣለም ክንናፍቖ ኢና' ይብል ካብ ስድራኡ ዝወጽአ መግለጺ ሓዘን። ሚኖ መን እዩ ነይሩ? ኣብ ጣልያን ተወሊዱ ኣብ ከተማ ኔዘርላንድስ ሃርለም ከም ዝዓበየ ዝንገረሉ ሚኖ ራዮላ፡ ኩሎም ዝስማምዕሉ ዕሉል ደላሊ እዩ ነይሩ። ኣብ እዋን ቁልዕነቱ ኣብ ናይ ኣቡኡ ቤት ብልዒ [ሬስቶራንት] ትሕትን ላዕልን ኢሉ እዩ። ጎናጎኒ ድማ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣትዩ ሕጊ ኣጽኒዑ። ራይላ፡ ቋንቋታት ጣልያንኛ፣ ጀርመንኛ፣ ስፓኒሽ፣ ፈረንሳይኛ፣ ፓርቹጊዝ፣ ደችን እንግሊዝኛን ኣጸቢቑ ይመልኽ። ንሱ፡ ገና ወዲ 18 ዓመት እናሃለወ እዩ ኣብ ኔዘላንድስ ናይ ሓደ በጻሕቲ [ትሕቲ ዕድመ] ክለብ ሓለፊ ምዃን ዝኸኣለ። ካብኡ ድማ፡ ናብቲ ቀንዲ ተውህቦኡ ከም ዝኾነ ዝእመነሉ፡ ፈጻሚ ስራሕ ኮይኑ ዝተቖጽረ፡ ንሓደ ትካል ወኪል ኮይኑ ክሰርሕ ጀሚሩ። ናይ መጀመርታ ስርሑ ድማ፡ ተስፋ ዝተብረሎም ትሕቲ ዕድመ ደቂ ደች ተጻወትቲ ንክለብ ጣልያን ዝኾነ ሴሪ ኤ ክድልል ነይሩ። ኣብ እዋን ቁልዕነቶም፡ ብድለላ ራዮላ ናብ ጣልያን ከምኡ'ውን ናብ እንግሊዝ ኣትዮም ስሞም ካብ ዘጸውዑ፡ ዴኒስ ቤርግካምፕ ሓደ እዩ። \"ይንኣስ ይዕበ ናትካ እዩ ናትካ' ዝብል ራዮላ፡ ካብቲ ተቖጺሩ ይሰርሐሉ ዝነበረ ትካል ለቒቑ፡ ናይ ዓርሱ ናይ ወኪል ኤጀንሲ ከቑም ክኢሉ። ሕዚ ሕዚ፡ ኣብ ኣውሮጳ ስሞም ዝጽውዑ ብዙሓት ፍሉጣት ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ፡ ንራዮላ ውክልና ሂቦምዎ ነይሮም። ኣብ 2016 ራዮላ ሓደ 'ታሪክ ሰሪሑ'። ኣብቲ እዋን፡ ናይ ዓለም ሪከርድ ዝነበረ ዋጋ፡ ፖል ፖግባ፡ ካብ ዩቬንቱስ ናብ ማንችስተር ዩናይትድ ክዛወር ገይሩ። ዝተኽፈሎ ድማ 105 ሚሊዮን ዩሮ ነይሩ። ብልሓተኛ ራዮላ፡ ካብዚ ዝውውር፡ ኣስታት 25 ሚሊዮን ዩሮ ከም ዝሓፈሰ ይዝረብ። ብድሕሪ እዚ ናብ ኣሜሪካዊት ኣብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ማያሚ ኣምሪሑ 9 ሚሊዮን ዩሮ ኾጭ ኣቢሉ ንቤተ-መንግስት ኣመሪካ ዘንዕቕ መንበሪ ገዛ ሰሪሑ ተባሂሉ። ሚኖ ዝተሰመዖ ካብ ምዝራብ ንድሓር ኣይብልን እዩ ዝበሃል። ብ'ኣይትንኩኡኒ' በሃላይነቱ ዝፍለጥ ራዮላ፡ ኣብ ትሕቲኡ ንዘለዉ ተጻወትቲ ዝነቐፉ ነባራት ተጻወተትቲ ኮኑ ተንተንቲ ኩዕሶ እግሪ፡ ኣትሪሩ ብምጽራፍ እዩ ዝፍለጥ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61244094"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ሶማልያን 14 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ድርኩኺት ጥሜት ይርከብ ተባሂሉ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ሶማልያን 14 ሚልዮን ህዝቢ ብሰንኪ ድርቂ ንሕሱም ጥሜት ከም ዝተቓለዐ፡ ብዙሓት ትካላት ግብረ ሰናይ ገሊጾም። እቶም ገበርቲ ሰናይ፡ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ድርቂ ቅልጡፍ ምላሽ ክወሃቦ'ውን ሓቲቶም። ብተወሳኺ ብዝሒ ንጥሜት ዝተቓለዐ ህዝቢ ልዕሊ እቲ ዝተገልጸ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣመልኪቶም። እዞም ልዕሊ ኣርባዓ ዝኾኑ ዘይመንግስታዊ ትካላት ግብረ ሰናይ፡ ዝኸፍአ ሓደጋ ቅድሚ ምብጽሑ ጻዕርታት ክግበር ሓቲቶም። ዛጊድ 14 ሚልዮን ህዝቢ ንጥሜት ከም ዝተቓለዐን፡ ኣድላይ ዝበሃል ድጋፍ እንተዘይተገይሩ፡ ብዝሒ ግዳያት ናብ 20 ሚልዮን ክብ ክብል ከም ዝኽእል'ውን ኣጠንቂቖም። እዞም ትካላት ነዚ መግለጺ ዘውጽኡ፡ ሕብረት ኣውሮጳን ኣዋሃዲ ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ እቲ ድርቂ ኣመልኪቱ ጽባሕ ሰሉስ 18 ሚያዚያ 2014 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ዘተ ንምግባር መደብ ምሓዞም ስዒቡ እዩ። እቶም ብሰንኪ ደርቂ ንጥሜት ዝተቓልዑ ሚልዮናት፡ ብለበዳ ኮቪድ-19 ፣ ብጎንጽታት፣ ብኣንበጣን ኲናት ሩሲያ-ዩክሬንን ስዒቡ ዋጋ ሸቐጣት ንሂሩ ስለ ዘሎ ኩነታት ተሓላሊኹዎም ከም ዘሎ ይእመን። ካብቶም እቲ መግለጺ ዘውጽኡ ትካላት ግበረ ሰናይ፡ ትካል መድሕን ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ)፣ ክርስቲያን ኤይድ፣ ዳኒሽ ሬፊዩጂ ካውንስል፣ ኖርዌጂያን ሬፊውጂ ካውንስል፣ ኦክስፋም፣ ፕላን ኢንተርናሽን ዎርልድ ቪዥን ይርከብዎም። ካብቶም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንጥሜት ተቓሊዖም ዘለዉ 14 ሚልዮን ሰባት፡ ፍርቆም ዝኾኑ ህጻናት ኮይኖም፡ ቀልጢፉ ዝናብ እንተዘይዘኒቡ፡ ዋጋ ኣእኻልን መሰረታዊ ሸቐጣትን ኣዝዩ ክንህርን እቲ ኩነታት ክጋደደ ከም ዝኽእልን ኣተሓሳሶቦም። ዝናብ እንተተተረኺቡ'ውን፡ ሰባት ካብቲ ኣትዮምዎ ዘለዉ ቅልውላው ንክወጽኡ ኣዋርሕ ክወስደሎም ስለ ዝኽእል ህጹጽ ሓገዝ ከም ዘድሊ ተገሊጹ። ውድብ ምግቢ ዓለም፡ ኣብ 2020 መወዳእታ፡ ንጥሜት ዝተቓልዑ ሰባት ቁጽሮም ናብ 20 ሚልዮን ክብ ክብል ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ ነይሩ። ኣብ ሰለስቲአን ሃገራት ዝንቀሳቐሱ ግብረ ሰናይ ትካላት፡ ህይወት ናይ ምድሃን ተግባር ንምስራሕ፡ 4.4 ሚልዮን ዶላር ከም ዘድሊ ሓቲቶም'ኳ እንተነበሩ፡ ዛጊድ ኣብ'ዚ እቶ ዝበሃል ድጋፍ ኣይተረኽበን ኢሎም። ንኣብነት፡ ኣብ ሶማልያ ጥራይ፡ ንሰብኣዊ ንጥፈታት ካብ ዝተሓታተ ገንዘብ ሓሙሽተ ሚኢታዊት ጥራይ ከም ዝተረኽበ ተሓቢሩ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61213339"} {"headline":"ኲናት ዩክረይን፡ ኔቶ እንታይ እዩ ንወራር ሩስያ ዝሃቦ ግብረመልሲ'ኸ እንታይ ይመስል?","content":"ፊንላንድን ሽወደንን ናብ ኔቶ ናይ ምጽምባር ሕቶ ከቕርባ ትጽቢት ይግበር ብምህላው፡ እቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ኔቶ ኣብ ቀረባ ግዜ ከስፋሕፍሕ ከምዝኽእል ይግመት። ኣብዚ እዋን ሃገራት ኔቶ ንወራር ሩስያ ንምምካት፡ ካብ ሚሳይላት ክሳዕ ታንክታትን ከበድቲ ኣጽዋርን ዝበጽሕ ቢልዮናት ዶላራት ዋጋ ዘውጽእ ሓገዛት ንዩክረይን የበርክታ ኣለዋ። ኔቶ፡ ኣሜሪካ፡ ካናዳ፡ እንግሊዝን ፈረንሳን ዝርከባአን 12 ሃገራት ኣብ 1942 ዝመስረተኦ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ እዩ። ብመሰረት'ዚ ውዕል፡ ዝዀነት ኣባል ሃገር ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ምስ ዝገጥማ ሓቢረን ክልዓላን ክቘማላን ኪዳን ኣተዋ። ቀንዲ ዕላማ ኔቶ ድማ፡ ምስፍሕፋሕ ሩስያ ኣብ ኤውሮጳ ንምግታእ እዩ ነይሩ። ሕብረት ሶቭየት [ሩስያ] ብወገና፡ ኣብ 1955፡ ዴሳውያን ንዝዀና ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ ዝሓቘፈ፡ ብ 'ዋርሶ' ዝፍለጥ፡ ወተሃደራዊ ኪዳን መስሪታ። ኣብ 1991 ድሕሪ ዝሰዓበ ውድቀት ሕብረት ሶቭየት፡ ሓያለ ካብተን ኣብ ትሕቲ ኪዳን ዋርሶ ዝነበራ ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ ኣባላት ኔቶ ኰና። ሽወደንን ፊንላንድን ናብ ኔቶ ንምጽምባር፡ ኣብ ፈለማ ናይ ወርሒ ሰነ ጥርዓን ከቕርባ ሰብ መዚ ኣሜሪካ ትጽቢት ይገብሩ። እዘን ሃገራት ነቲ ወተሃደራዊ ኪዳን እንተተጸምቢረን፡ ብዝሒ ኣባል ሃገራት ኔቶ 32 ክኸውን እዩ። ሩስያ እዘን ክልተ ሃገራት ናብቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ከይጽምበራ ኣጠንቂቓ ኣላ። ሰብ መዚ ምክልኻል ኣሜሪካ ግና፡ ሞስኮ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ምፍጻማ \"ዓቢይ ስትራተጂካዊ ስሕተት\" ምዃኑ ብምግላጽ ንምስፍፋሕ ኔቶ ዕድል ክኸውን ከምዝኽእል ይዛረቡ። ዩክረይን ኣባል ኔቶ ስለዘይኮነት፡ እቲ ኪዳን ነታ ሃገር ናይ ምክልኻል ግዴታ የብሉን። ሃገራት ኔቶ፡ ወተሃደራተን ኣብ ዩክረይን ምስ ሓይልታት ሩስያ እንተገጢሞም፡ ኣብ መንጎ ሩስያን ምዕራብን ምሉእ ግጭት ከየስዕብ ይሰግኣ። ኔቶ፡ ኣባላቱ \"ብዝከኣለን ዘበለ ኩሉ ንዩክረይን ንምሕጋዝ ድልዋት ምሕላወን\" እንተኾነ ግና እቲ ኲናት ካብ ዶባት ዩክረይን ክሓልፍ ከምዘይብሉ እዩ ዝገልጽ። በዚ ከኣ እዩ ንኣየራት ዩክረይን ካብ በረራ ነጻ ዞባ ኢሉ ክእውጅ ዘይደለየ። እንተኾነ ግና ኣብ ስሎቫክያ፡ ሃንጋሪ፡ ቡልጋርያን ሮማንያን ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝተዋጽኡ ኣርባዕተ ሓደስቲ ብርጌዳት ክቖማ ወሲኑ ኣሎ። ካብዚአን ስሎቫክያ፡ ሃንጋርን ሮማንያን ምስ ዩክረይን ዝዳወባ ክኾና እንከለዋ፤ ንብዝሒ ኣብቲ ዞባ ዘለው ወተሃደራት ኔቶ ብዕጽፊ ዘዕብይ እዩ። ኔቶ ኣብ 2008 እዩ ዩክረይን ናብቲ ኪዳን ክትጽምበር ዕድላት ከፊቱላ። ኣብ 2014 ሩስያ ንክረምያ ወሪራ ምስ ሓዘት፡ ዩክረይን ነቲ ኪዳን ምጽምባር ሓደ ካብ ቀዳምነታታ ብምግባር ክትንቀሳቐስ ጀሚራ። እንተኾነ ግና እዚ፡ ብቐንዱ ብሩስያ ዓቢ ተቓውሞ ስለዝገጠሞ ክውን ክኸውን ኣይከኣለን። ሩስያ ነቲ ወራር ቅድሚ ምጅማራ ካብ ዘቐመጠቶ ጠለባት ሓደ፡ ዩክረይን ናብቲ ኪዳን ፍጹም ክትጽምበር ከይፍቀደላ ዝብል ክኸውን እንከሎ፤ ኔቶ ነዚ ኣይቕበሎን። ኔቶ ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳ ሓደስቲ ኣባላት እናወሰኸ፡ በብቕሩብ ናብቲ ፖለቲካዊ ጽልዋ ዘለዋ ከባቢታት ይጽጋዕ ከምዘሎ እያ እትገልጽ። ንዩክረይን ምፍቃድ ከኣ ንኔቶ ናብ ኣፍደገኻ ከምምጽዋዕ እያ እትሪኦ። ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ \"ዩክረይን ኣባል ኔቶ ኣይኮነትን እዚ ንጹር እዩ። ይርድኣና እዩ\" ብምባል ሃገሩ ኣብዚ እዋን ናብ ኔቶ ክትጽምበር ከም ዘይትኽእል ተቐቢልዎ እዩ። ኣብ ፈለማ ሃገራት ኔቶ፡ ንምክልኻል ዘገልግል ኣጽዋር ምልኣኽ እየን መሪጸን ኔረን። ብሪጣንያ ብኣሽሓት ዝቑጸር 'ኤንኤልኤዳብሊው' ዝተባሃለ ጸረ-ታንክ ሚሳይላትን 'ስታረስትሪክ' ዝበሃል ጸረ ነፈርቲ ሚሳይላትን ናብ ዩክረይን ልኢኻ። ኣሜሪካ ከም ኣካል ናይቲ ነታ ሃገር ክትህቦ ዝወሰነት 3 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ፡ ጸረታንክ ሚሳይላት (ጃቨሊን) ከምኡ'ውን ጸረ ረፈርቲ ሚሳይላት (ስቲንገር) ለጊሳ። ስሎቫክያ ክሳዕ 400 ኪሜ ርሕቐት ዝውነጨፍ ኤስ-300 ዝዓይነቱ ስርዓተ ጸረ ነፈርቲ ንዩክረይን ሂባ። ኣሜሪካን ቱርክን ሚሳይላት ዝዓጠቑ ድሮናት ልኢኸን ኣለዋ። ኣብዚ እዋን ብዙሓት ኣባላት ኔቶ፡ ሰራዊት ዩክረይን ንወተሃደራት ሩስያ ካብ ዶንባስ ደፊኡ ንኸውጽእ ንምሕጋዝ ከበድቲ ኣጽዋር ናብ ዩክረይን ይልእኻ ኣለዋ። ኣውሮጳዊ ሕብረት ንዩክረይን ኣጽዋር ንምቕራብ ክሳዕ 450 ሚልዮን ዩሮ ክውዝዕ እንከሎ፤ ኣብ ታሪኽ እቲ ሕብረት፡ ኣብ ኲናት ናይ ኣጽዋር ደገፍ ክገብር እዚ ንፈለማ እዋን ቤልጅዩም፡ ፖላንድ፡ ኤስቶንያ፡ ላቲቭያ፡ ዴንማርክ፡ ስጳኛን ስሎቫክያን'ውን፡ ጠያይቲ፡ ነዳድን መግብን ዝርከቦ ወተሃደራዊ መሳርሒታት ይልእኻ ኣለዋ። ኔቶ ብሰሜን ካብ ሪፓብሊክ ባልቲክ ክሳዕ ሮማንያ ብደቡብ ዝተዘርግሑ ወተሃደራት ኣለዎ። እዚኦም ሩስያ ንክረምያ ድሕሪ ምቁጽጻራ ኣብ 2014 እዮም ተዋፊሮም። ኔቶ ገለ ክፋል ናይቲ 40,000 ዝበጽሕ ናይ ብርቱዕ ግብረመልሲ ሓይሉ ናብተን ምስ ሩስያን ዩክረይንን ዝዋፈራ ሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳ ልኢኹ እዩ። ኣብ ተጠንቀቕ ዝርከባ 100 ነፈርትን 120 መራኽብን ኣለዎ። ኣሜሪካ ተወሰኽቲ ወተሃደራት ናብ ኣውሮጳ ክትልእኽ ምዃና ገሊጻ እያ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61199884"} {"headline":"ኲናት ዩክረይን፡ ብዲፕሎማሲ ጥራይ'ዩ ክውዳእ ዝኽእል - ፕረዚደንት ዘለንስኪ","content":"ፕረዚደንት ዩክረይን፡ እቲ ኣብ ሃገሩ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ብ\"ዲፕሎማሲ\" ጥራይ እዩ ከብቅዕ ዝኽእል ኢሉ። ንሱ፡ ብሃገራዊ ተሌቪዥን ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ዩክረይን ኣብ ዓውደ ውግእ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዓወት ከተመዝግብ ትኽእል እያ ክብል ተዛሪቡ። ይዅን'ምበር፡ \"እዚ ኲናት ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ብዝግበር ዝርርብ ጥራይ እዩ\" እዩ መኸተምታ ክረክብ ዝኽእል ኢሉ። ኣብ ቀረባ፡ ሓይልታት ሩስያ ምሉእ ዞባ ሉሃንስክ ንምቍጽጻር ብዘካይድዎ ዘለው ወፍሪ፡ ኣብ ጥቓ ሲቨሮዶንትስ ጽዑቕ ውግእ ይካየድ ኣሎ። ኣብ ወደባዊት ከተማ ማሪዩፖል ዝካየድ ዝነበረ ውግእ፡ ወተሃደራት ሩስያ ናብ ዝደለይዎ ኣንፈት ክግስግሱን ናብ ምብራቓዊ ሸነኽ ዩክረይን ወፍሪ ክገብሩን ኣኽኢልዎም ኣሎ። ኣመሓዳሪ እቲ ከባቢ ሰርሂ ሃይዳይ፡ ሩስያውያን ንሲቨርዶንትስ \"ኣዕኒዮምዋ እዮም\" ኢሉ። ንሱ ብቴሌግራም ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ወተሃደራት ዩክረይን ኣብ ግንባር 11 መጥቃዕታት መኪቶም፡ ሸሞንተ ታንክታት ሩስያ ድማ ኣዕንዮም ይብል። እንተዀነ፡ እዚ ብሳልሳይ ኣካል ኣይተረጋገጸን። ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ እቲ ግጭት \"ደማዊ ክኸውን'ዩ፡ ውግእ'ውን ክህሉ'ዩ፤ እንተዀነ ኵሉ ብዲፕሎማሲ እዩ ዝፍታሕ፡\" ክብል ኣብቲ ብተሌቪዥን 'ታ ሃገር ዘሕለፎ መልእኽቲ ተዛሪቡ። ይዅን እምበር፡ ክልተኦም ወገናት ሕድገት ክገብሩ ስለ ዘይደልዩ እዚ ኣማራጺ ቀሊል ኣይኮነን። ብሰሉስ፡ እቶም ኣቐዲሞም ተጀምሪሮም ዝጸንሑ ዝርርባት ደው ኢሎም ምህላዎም ዩክረይን ገሊጻ ነይራ። ኣብቲ ዝሰዓበ መዓልቲ ድማ፡ ወሃቢ ቃል ክረምሊን ዲሚትሪ ፖስኮቭ፡ ሰብ መዚ ዩክረይን፡ እቶም ዝርርባት ክቕጽሉን ተጻብኦታት ደው ከብሉን ድልየት የብሎምን፡ ክብል ከሲሱ። ማዕከን ዜና ሩስያ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ዝርርብ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ብ22 ሚያዚያ 2022 ከም ዝተኻየደ ሓቢራ። ኣሜሪካ፡ ናብዚ መወዳእታ ዘይብሉ ኲናት፡ ተወሳኺ ወተሃደራዊ፡ ቁጠባውን ሰብኣውን ሓገዝ ንዩክረይን ትልእኽ ኣላ። ፕረዝደንት ጆ ባይደን፡ ንዩክረይን፡ 40 ቢሊዮን ዶላር ሓገዝ ንምሃብ ዝቐረበ ሓሳብ ብቐዳም ፈሪሙ። እዚ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝወሃብ ሓገዝ፡ ወተሃደራውያን መካይንን ኣጽዋራት ጸረ-ነፈርትን ዝውዕል ሽዱሽተ ቢሊዮን ዶላር ዘጠቓልል'ዩ። ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ እቲ ወተሃደራዊ ሓገዝ፡ \"ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ዘድሊ\" ብምባል ምስጋናኡ ገሊጹ። እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ፕረዝደንት ባይደን ካብቶም ንሓዋሩ ናብ ሩስያ ከይኣትው ዝተኸልከሉ ልዕሊ 900 ኣሜሪካውያን ሓደ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ክልከላ፡ ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ሓላፊ ሲኣይኤ ዊልያም ቡርንስን ካልኦት ኣማኢት ኣባላት ኮንግረንስን ይርከብዎ። ብኻልእ ወገን፡ ሩስያ ንፊንላንድ ትሰዶ ዝነበረት ነዳዲ ኣቋሪጻ'ላ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61540227"} {"headline":"ምዕባለታት 100 መዓልትታት ኲናት ዩክረይን","content":"ሓይልታት ሩስያ ብ 24 ለካቲት ዶብ ዩክረይን ብምስጋር ህይወት ኣሽሓት ዘኽፈለን ብሚልዮናት ንዝቑጸሩ ሰባት ካብ መንበሪኦም ክመዛበሉ ዘገደደን ኲናት ወሊዖም። ኣብዚ ዝሓለፈ 100 መዓልታት ዝነበረ ምዕባለታት እንታይ ይመስል ንድሕሪት ምልስ ኢልና ዳህሲስናዮ ኣሎና።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cz9564d6g4lo"} {"headline":"ቤልጂም፡ ናብ እኩባት ሰባት ንሂራ ዝኣተወት መኪና 6 ሰባት ቀቲላ","content":"ኣብ ደቡብ ቤልጅም ኣብ እትርከብ ንኡሽቶ ከተማ ሓደ ውልቀሰብ ንባህላዊ ክብረ በዓል ተኣኪቦም ኣብ ዝነበሩ ሰባት መኪንኡ ኣንሂሩ ብምእታው ዘዊሩ ሽዱሽተ ሰባት ቐቲሉ። እዚ ክስተት ትማሊ ካብ ብራስለስ 50 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ስትሪፒ ብራኵዊንስ ዝተባህለት ንኡሽቶ ከተማ እዩ ኣጋጢሙ። በዚ ሓደጋ ካልኦት ኣስታት 40 ሰባት ከም ዝቖሰሉን ዓሰርታት ኣብ ዘስግእ ኩነታት ከም ዝርከቡን ከንቲባ እታ ከተማ ተዛሪቡ። ከንቲባ ጃኩዌስ ጎበርት \"ካብ 150 ክሳብ 200 ዝኾኑ ሰባት ናብቲ በዓል ዝኽበረሉ ቦታ ክኸዱ እንከለው እቲ መኪና ብድሕሪኦም መጺኡ ገጪዩዎም\" ኢሉ። እቲ ውልቀሰብ ብማእኸል ህዝቢ መኪና ብፍጥነት እናሽከርከረ ን100 ሜትሮ ዝኣክል ከም ዝኸደ ዝገልጽ እቲ ከንቲባ \"እዚ ብሃገራዊ ሓደጋ እዩ\" ክብል በቲ ክስተት ከም ዝሰንበደ ገሊጹ። ኣብቲ ጉዳይ መርመራ ከም ዝጀመረ ዝገለጸ ፖሊስ ብወገኑ እቲ ተግባር ምስ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝራኸብ ኣይኮነን ኢሉ። \"ዘሰክፍ ሓደጋ እዩ። እቲ መራሒ መኪና ሰባት ገጭዩ ከምልጥ ፈቲኑ ፖሊስ ቐልጢፉ ጠጠው ኣቢሉዎ'ዩ\" ክትብል ወሃቢት ቃል ፖሊስ ክርስቲና ላኖኮ ንቢቢሲ ተዛሪባ። እቲ መራሒ መኪናን ካልኦት ኣብታ መኪና ዝነበሩን ሰባት'ውን ኣብ ቀይዲ ከም ዝውዓሉ ሓቢራ። ሚኒስትር ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ቤልጅም ኣኔሊስ ኤርሊንደን ንስድራ ግዳያት ምጽንናዕ ክምነ እንከሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዲ ክሮ እውን ኣብ ቀረባ ናብቲ ቦታ ክበጽሕ እዩ ተባሂሉ ይግመት።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60818468"} {"headline":"ቅልውላው ዩክረይን፡ ወናኒ ክለብ ቸልሲ ሮማን ኣብራሞቪች ንቸልሲ ክሸጣ ከምዝወሰነ ገሊጹ","content":"ወናኒ ክለብ ቸልሲ ሮማን ኣብራሞቪች ኣብ መርበብ ሓበሬታ ፕሪሜር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ንቸልሲ ናይ ምሻጥ ውሳነ 'ከቢድን ኣቐንዛውን' ምንባሩ ገሊጹ። እቲ ሩስያዊ ቢልዮነር፡ ካብ መሸጣ እታ ክለብ ሳንቲም ከየጉደለ፡ ብምልኡ ንግዳያት ኵናት ዩክረይን ከውዕሎ ምዃኑ ሓቢሩ። ሮማን ኣብራሞቪች ንክለብ ቸልሲ ዝገድፋ ዘሎ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ድሕሪ ምፍጻማ'ዩ። ብቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኸኣ ነቶም መስረትቲ እታ ክለብ ምሉእ ውክልና ሂቡ ከምእትካየድ ክገብር ከምዝኽእል'ውን ኣተንቢሁ። እታ ኣብራሞቪች ልዕሊ 1.5 ቢልዮን ፓውንድ ከምዘውጽኣላ እትግመት ቸልሲ፡ ቢልዮነር ሃንስጆግ ዌይስ ክገዝኣ ከምዝኽልእ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ። ወዲ 55 ዓመት ሮማን ኣብራሞቪች ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላዳሚር ፑቱን ጥቡቕ ርክብ ከምዘለዎ'ዩ ዝግለጽ፡ ንሱ ግን ነዚ ኣይኣምነሉን እዩ። ኣብራሞቪች ንቸልሲ ብ3 ቢልዮን ፓውንድ ክሸጣ መደብ ከምዘለዎ ቢቢሲ ከረጋግጽ ክኢሉ ኣሎ። ኣብራሞቪች ንቸልሲ ክሸጣ ዝወሰነሉ ምኽንያት ክገለጽ እንከሎ \"በዚ ዘሎ ህሉው ኩነታት፡ ነታ ክለብ ክሸጣ ወሲነ ኣለኹ፡ ከምእምነተይ እንተኾይኑ ንረብሓ እታ ክለብ፡ ንደገፍቲ፡ ንሰራሕተኛታት ከምኡ'ውን ንመሻርኽትን ንመወልቲ እታ ክልብን ኢለ ዝገብሮ ዘለኹ'ዩ\" ኢሉ። ሮማን ኣብራሞቪች፡ ኣብ መግለጺኡ ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዘይምግላጹን፡ ቅድሚ ናብ ውሳነ ምብጽሑ ወይ ናብ ህዝቢ ምሕባሩ ምስ ተጻወትቲ ቸልሲ ዘይምምኽኻሩን ብዙሕ ነቀፌታታት የጋጥሞ ኣሎ። ሩስያዊ ቢልዮነር ሮማን ኢብራሞቪች ንክለብ ቸልሲ ኣብ 2003 እዩ ብ140 ሚልዮን ፓውንድ ዓዲግዋ። ኢብራሞቪች ንክለብ ቸልሲ ምስ ዓደጋ ልዕሊ 1.5 ቢልዮን ፓውንድ ብምውጻእ ሓንቲ ካብ ዝበለጻ ክለባት ዓዲ እንግሊዝን ዓለምን ክገብራ ከምዝኽኣለ ይግለጽ። ኣብ እዋን ዋንነቱ ኸኣ ሓያለ ዋንጫታት ክትዓትር ኣኽኢልዋ'ዩ፡ ክልተ ግዜ ቻምፕዮንስ ሊግ፡ ሓሙሽተ ግዜ ፕሪሜርሊግ፡ ሓሙሽተ ግዜ ኤፍኤ ካፕ፡ ክልተ ግዜ ዩሮፕያን ሊግ ከምኡ ኸኣ ሰለስቴ ግዜ ሊግ ካፕ ካብ ከምእትዕወት ገይሩ። ሮማን ኣብራሞቪች ግዳይ ቁጠባዊ እገዳ ከይኮነ እንከሎ ንቸልሲ ይሸጣ ከምዘሎ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ። ኣብ ጋንታ ኤቨርተን ልዑል ብርኪ ዘለዎ ሩስያዊ ቢልዮነር ኣልሸር ኡስሞኖቭ ዝርከቦም ሓያለ ሃብታማት ሩስያውያን ብሕብረት ኣውሮጳ እገዳ ተነቢርዎም ኣሎ። ዓባይ ብሪጣንያ ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ኣብራሞቪች ይኹን ኣልሸር ኡስሞኖቭ እገዳ ኣየንበረትን ዘላ፡ ካብ ሰልፊ ሸቃሎ ኣባል ባይቶ እታ ሃገር ዝኾነ ክሪስ ብሰሉስ ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ኣብ ዘስምዖ መደረ ግን \"ኣብራሞቪች እገዳ ከይግበረሉ ብምፍራሕ እዩ ንቸልሲ ክሸጣ ወሲኑ ዘሎ\" ኢሉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ብረቡዕ ካብ ኣባለት ባይቶ ንዝቐርበሉ ዝነበረ ሕቶታት ኣብ ዝምልሰሉ ዝነበረ፡ ንምንታይ ኣብ ልዕሊ ሮማን ኣብራሞቪች እገዳ ከምዘይተነበረ ካብ ኣባል ባይቶ ከይር ስታርመር ኣብ ዝተሓተተሉ \"ኣብዚ መድረኽ እዚ ንውልቀሰባት ኣመልኪትና ርእይቶ ክንህብ ቦትኡ ኣይኮነን\" ዝብል መልሲ'ዩ ሂቡ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60598730"} {"headline":"ኲናት ዩክረይን፡ ኣብ ዘመናዊ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ዝነበረኒ ጻንሒት","content":"እዚ ጽሑፍ፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ክሊቭ ሚይር፡ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ንፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ቃለመጠይቕ ንምግባር ናብቲ ነቲ ኲናት ዝመርሓሉ ዘሎ ቤትጽሕፈት ኣብ ዝኸደሉ ንዝተዓዘቦ ዘዘንቱ እዩ። ኣብ መፈተሺ ነቝጣ ዝጸንሑ ክልተ ወተሃደራት፡ ፓስፖርትታትና ብደቂቕ ድሕሪ ምምርማር፡ ክንሓልፍ ኣፍቂዶምልና። ናብ ቀጽሪ ናይቲ ንወራር ሩስያ ንምምካት ከም ማእከላይ እዚ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ህንጻ ኣተና። እቲ ህንጻ ብኣሻዅ ስልኪ፡ ነታጒን ብወተሃደራትን ይሕሎ። ምሉእ ዕጥቒ ዘለዎም ወተሃደራት ብብዝሒ ኣለው፣ እቲ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ዝረኽቦ ሰብ ግን ኣዝዩ ኣገዳሲ ሰብ እዩ። ሩስያ፡ ቮሎድሚር ዘለንስኪ ክቕተልን መንግስቱ ከኣ ንሞስኮ ብዝምእዘዝ ስርዓት ክትካእን እያ እትደሊ። እንተኾነ ኣብቲ ልዕሊ 50 መዓልትታት ኣቝጺሩ ዘሎ ኲናት፡ ዩክሬናውያን ዘርኣይዎ መኸተ ንዓለም ኣገሪሙ እዩ። ሒዝናዮ ንዝነበርና መሳርሒታት ሓጺን ብዘለሊ መፈተሺ [ሜታል ዲቴክተር] ድሕሪ ምሕላፍ ኣብ ውሽጢ ምስ ኣተና ተዋህበና። ብድሕሪ’ዚ፡ ሓሓሊፉ ሑጻ ብዝመልአ መሸማዕ ዝተጋረደ ነዊሕ ኮረድዮ ሓሊፍና። እቲ ዝተጸፋጸፈ መሸማዕ፡ ኣብ ላዕሊ፡ ንኣፈሙዝ ጠበንጃ ከእቱ ዝኽእል ንእሽቶ ነዃል ኣለዎ። ሓደ ተሓጋጋዚ እቲ ፕረዚደንት ናብ ሓደ ብቋንቋ ዩክረይን ‘ዘ ሲቹወሽን ሩም’ (ክፍሊ ስርሒት) ዝተጻሕፎ ክፍሊ መርሓና። መናድቕ እቲ ክፍሊ ብዓበይቲ ስክሪናት ተሌቪዥን ዝተሸፈነ ምቹእ ተሽከርካሪ መናብርን ዘለዎ ዘመናዊ እዩ። ሓደ ጸገም ግን፡ ንሰባት ኣብ ተሽከርካሪ መንበር ኮፍ ኣቢልካ ቃለመጠይቕ ምግባር ንየማነ ጸጋም ክንቀሳቐሱ ስለዝድርኽ ኣሸጋሪ ምዃኑ እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ዝመርሓና ሰብ ካልእ ዓይነት መንበር ክረኽበልና ሓቲትናዮ። ጸኒሑ እርግ ዝበለ ዝመስል ክልተ መናብር ሒዙልና ተመሊሱ። ሓለቓ ስታፍ ቤት ጽሕፈት እቲ ፕረዚደንት ግን በዚ ኣይተሓጐሰን። “ኖእ! እዚ ክኸውን ኣይኽእልን እዩ፡” በለ። “እዚ መናብር ኣብዚ ክፍሊ ዘመናዊ ኮምፕዩተራትን ፕላዝማ ስክሪናትን ኣዝዩ ኣረጊት እዩ ዝመስል። ኣብዚ ዘመናዊ ምስሊ ኢና ክነመሓላልፍ እንደሊ” ወሰኸ። ሽዑ ዘመናዊ ዝመስል፡ ጎማታታ ዘይብሉ መናብር ተዳለወ። እቲ ኣብ ጉዳይ መናብር ዝገበርናዮ ዝርርብ፡ ብዛዕባ ዘመናዊት ዩክረይን ብዙሕ ክርዳእ ኣኽኢሉኒ እዩ። ዝሑል ኲናት ድሕሪ ምዝዛሙ፡ እቲ ንኡስ ወለዶ ንጽልዋታት ምዕራብ እዩ ኣቋሚቱ። ብመገዲ ኣየር ‘ራያንኤየር’ ናብ ምዕራብ ኣውሮጳ ዝተጀመረ ሕሱር ትኬታት ብዙሕ ዕድላት ከፊቱ እዩ። እምበኣር እዚ ምምሕዳር’ውን ከርእየና ዝደለዮ ነገር፡ ብዙሕ ኣብ ወግዓዊ መዳያት ዘይግደስን ንምዝራብ ድልው ምንባሩን እዩ። ብዙሕ ከይጸናሕና፡ ብዙሓት ሰባት ይመጹ ከምዘለው ዝእምት ድምጺ ስጕምቲ ኣእጋር ሰሚዐ። ክልተ ወተሃደራት ቀዲሞም ኣተው፡ ደድሕሪኦም ከኣ እቲ ፕረዚደንት። ሰላም እናበልናዮ እንከሎና፡ ሓደ ካብ ተሓጋገዝቱ ቴለፎን ኣቐበሎ። ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ እዩ ነይሩ፣ ካብ ፈረንሳ። “ኢማኑዌል ድዩ?” ክብል ነቲ ተሓጋጋዚ ሓተቶ። “እወ” ኢሉ መለሰሉ። “ንራኸብ ኢና ብዙሕ ግዜ እዩ ዝድውለለይ። ኣሕጽር ኣቢለ እንተኣዘራረብክዎ ቅር ይብለካ ድዩ?” እቲ ፕረዚደንት ሓቲቱኒ። ካባይ ፍቓድ ምሕታቱ ብምግራም፡ “ጸገም የብሉን” ኢለዮ። ዘለንስኪ ብባህሪኡ ልዙብን ፍሕሽው ገጽ ዘለዎን እዩ። እንተኾነ፡ እቲ ፕረዚደንት ናብታ ሓይልታት ሩስያ ንሰሙናት ተቘጻጺሮምዋ ዝነበሩ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ኪቭ ኣስታት 25 ኪሜ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ቡቻ ዑደት ኣብ ዝገበረሉ እዋን፡ ሓሪቝን ተቘጢዑን ከም ዝነበረ ኣብታ ጻንሖት ተገንዚበ። ሓይልታት ሩስያ ካብታ ከተማ ምስ ወጽኡ፡ ኣብ ጥቓ ሓደ ቤተክርስትያን ጃምላዊ መቓብር ክርከብ እንከሎ፡ ኣብ ጐደናታት ሬሳታት ተራእዩ እዩ። ቭላድሚር ፑቲን ብገበን ኲናት ክኽሰስ ይኽእል ዶ ኢለ ምስ ሓተትክዎ፡ ዝሃበኒ መልሲ፣ ኵሉ ምስ ሰራዊት ሩስያ ምትእስሳር ዘለዎ ይዅን ሲቪላውያን መራሕቲ ገበነኛታት ኲናት ምዃኖም እዩ። “ነቲ ዘጋጠመ ኵሉ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምስ እዞም ሰባት ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ኮፍ ኢልካ ብዛዕባ ሰላም ክትዘራረብ ትኽእል ዶ?” ዝብል ሕቶ ኣቕሪበሉ። ነቲ ኣብ ቡቻን ብሮድያንካን ዝተፈጸመ ግፍዒ ብምጥቃስ፡ “መሳኵቲ ተኽእሎታት እናጸበበ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፡” ዝብል መልሲ ሂቡኒ። ዘለንስኪ ብርግጽ ኮሜድያንን ተዋሳኣይን ነበር እዩ። ኣብቲ ምስኡ ዝጸናሕኩሉ ሰዓት ግን፡ ሓደ ብኣእምሮ ኣዝዩ ዝሃለኸን፡ ብዛዕባ ህዝቡ ኣብ ከቢድ ቃንዛን ዝርከብ ሰብኣይ ኣስተብሂለ። ምስ ቸርችል ዝወዳደርን፡ በቲ ኣብ ጸላም መዓልትታት እቲ ኲናት ብዘርኣዮ መሪሕነትን ብብዙሓት ዝዝከር ሰብኣይ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61138487"} {"headline":"ኲናት ዩክረይን፡ ሩስያ ሃገራት ስዊዲንን ፊንላድን ናብ ኔቶ ከይጽንበራ ኣጠንቂቓ","content":"ሩስያ ጎረባብታ ዝኾና ስዊዲንን ፊንላድን ናብ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ብኣባልነት ከይጽንበራ ኣጠንቂቓ፡፡ እታ ሃገር ኣባል ኔቶ ምዃን ናብ ኣውሮጳ ዘይምርግጋእ ዝዕድም እዩ ክትብል ትምጉት፡፡ ወታሃደራዊ ሰብመዚ አመሪካ፡ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ንኔቶ ከዕቢ ዝኽእል ‘‘ዓብዪ ስትራተጂያዊ ስሕተት እዩ’’ ድሕሪ ምባሎም እዩ ሩስያ ነዚ መግለጺ ሂባ ዘላ፡፡ እተን ኣብ ዞባ ኖርዲክ ዝርከባ ሃገራት ክሳብ ሰነ ኣብ ዘሎ ግዘ ኣባላት ኔቶ ንምዃን ክሓታ ሰብመዚ ኣመሪካ ትጽቢት ይገብሩ፡፡ ኣመሪካ፡ ነቲ ቁጽሪ ኣባል ሃገራት ኔቶ ናብ 32 ዘዕቢ ምንቅስቓስ ትድግፎ ከምዘላ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ ላዕለዎት መራሕቲ ኔቶን ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ እተን ሃገራትን ዘተ ከምዝተሳለጠ ተሓቢሩ፡፡ ሩስያ ቅድሚ ንዩክረይን ምውራራ፡ ኔቶ ሓደሽቲ ኣባላት ከይውስኽ ትጠልብ ዝነበረት ኮይና፡ እቲ ኲናት ግን ብኣንጻሩ ቁጽሪ ናብ ምብራቕ ኣውሮጳ ዝዋፈሩ ወታሃደራት ኔቶ ዓብዩን ሃገራት ስዊዲንን ፊንላንድን ኣባላት ክኾና ዝካየድ ህዝባዊ ጎስጓስ ወሲኹን ኣሎ፡፡ ብ 1,340 ኪሜ ዶብ ምስ ሩስያ እትዋሰን ፊንላንድ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝተፈጸመ ወራር ሰጊኣ እያ፡፡ ኣባልነት ኔቶ ክቃወም ዝጸንሐ መሪሕ ውድብ ስዊዲን እውን እቲ ሓድሽ ኩነታት ደጊሙ ክሓስብ ከምዘገደዶ ይገልጽ፡፡ ሞስኮ ግና ዝኾነ ምስፍሕፋሕ ኔቶ ከምእትቃወም ብግልጺ ኣቐሚጣ ኣላ፡፡ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሩስያ ዲሚትሪ ፖስኮቭ፡ ሃገራት ስዊዲንን ፊንላንድን ኣባላት ኔቶ እንተኾይነን፡ ሩስያ ብናይ ባዕላ ስጉምቲ ‘‘ሚዛን እቲ ኩነታት ከምእትሕሉ’’ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ ነይሩ፡፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ብተመሳሳሊ ወሃቢት ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ማርያ ዛካሮቫ ፡ ሃገራት ስዊዲንን ፊንላንድን ኣባላት እቲ ኪዳን እንተኾይነን ‘‘ወታሃደራውን ፖለቲካውን ሳዕቤን’’ ከምዝወርደን ኣጠንቂቓ ነይራ፡፡ ኔቶ ብምኽንያት ስግኣት ምስፍሕፋሕ ሕብረት ሶቭየት ነበር ኣብ 1949 ዝተመስረተ ኮይኑ ድሕሪ ምፍራስ መንደቕ በርሊን ድማ ኣባላት ሶቭየት ዝነበራ ሓያሎ ሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳ ተሓዊሰነኦ እየን፡፡ ኣባል ሃገራት ኔቶ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ንዝበጽሕ መጥቃዕቲ ሓቢረን ናይ ምክልኻል ውዕል ኣለወን፡፡ ሩስያ ብቐጻሊ እተፈራረሐን ዘላ ሃገራት ፊንላድን ስዊዲንን እውን ኣባላት ኔቶ ንምዃን ዝገብርኦ ምንቅስቓስ ኣሐዪለን ዝቐጸላ ኮይነን፡ ወታሃደራዊ ወጻኢታተን እውን ዓብዩ ኣሎ፡፡ ብሰኑይ ወታሃደራዊ ሰብመዚ ፊንላንድ ድሮናት ንምግዛእ ባጀት ዝሰልዑ ኮይኖም ስዊዲን እውን ወታሃደራዊ ወጻኢታታ ብ 3 ቢልዮን ክሩና ከምእተዕብዮ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣፍሊጣ እያ፡፡","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61076869"} {"headline":"ኲናት ዩክሬን፡ ሓሙሽተ ብድሆታት ባይደን ኣብ ኣውሮጳ","content":"ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ኩሎም መራሕቲ ሃገራት ምዕራብን ሎሚ ኣብ ብራስለስ ተራኺቦም ኣብ ዙርያ ኲናት ሩስያ ኣብ ዩክሬን ዝምልከት ክዘራረቡ እዮም። እዚ ኣኼባ መራሕቲ ኔቶ፣ ኣባል ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተን ሕብረት ኤውሮጳን ዘካይዱዎ ኮይኑ፡ ፕሬዝደንት ባይደን ኣብ ሰለስቲኦም ክሳተፍ እዩ። ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝፈጸመቶ ወራር ጥምረት ምክልኻል ሃገራት ምዕራብ ዝኾነ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ- ኔቶ -ሓድሽ ናይ ዕላማ ስምዒት ከሕድር ገይሩ'ዩ። ብተወሳኺ ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ሩስያ ዘለዎ ርክብ ክበትኽ ኣብ ዝጽዕረሉ ዘሎ እዋን ምስ ኣመሪካ ካልኦት ርክባት ንምፍጣርን ንምጥንኻርን ክሰርሕ ይርኣይ ኣሎ። ፕሬዝደንት የክሬን ቮሎድሚር ዜለንስኪ ኣብ ኣኼባታት ኔቶን መራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳን ብማንዛ ክሳተፍ እዩ። 30 ፕሬዝደንታትን ቀዳማይ ሚኒስትራትን ኔቶ ንዩክሬን ኣብ ዝህቡዎ ሓገዝን ሓድሽ ምውፋር ሰራዊትን ክሰማምዑ ትጽቢት ይግበር። እንተኾነ እቲ ጥምረት ብቐጥታ ኣብ ጉዳይ ዩክሬን ኢዱ ከም ዘይሓውስ ግልጺ ገይሩ'ዩ። ጆ ባይደን ግን ኣብዚ ናይ ኤውሮጳ ጉዕዝኡ፡ ኣብ ምድሪ ኣውሮጳ ሓሙሽተ ቀንዲ ብድሆታት ኣለው። ጽኑዕ ሓድነት ምርግጋጽ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ካብ ዝጅመር ንደሓር ዛጊድ ኣመሪካ ብፍላይ ኣብ መፈለምታ፡ ምስ መሻርኽታ ሃገራት ኣውሮጳ ንቕድሚት ክትስጉም ከም እትኽእል ኣርእያ እያ። ኣብ መንጎኦም ዝነበሩ ማሕለኻታት ድማ ዋላ ንግዚኡ ይምሰል 'ምበር ዝተኣለዩ ይመስሉ። እንተኾነ፡ እቲ ኲናት ወዓል ሕደር ብዝበለ ቁጸሪ፡ እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ዘይምስምማዕ በርቲዑ ናይ ምምጻእ ተኽእሉኡ ዓቢ እዩ። ባይደን፡ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ምድንፋዕ ግዝያዊ ዘይኮነስ ነቲ ኣፍጢጡ ዝመጽእ ዘሎ ብድሆ ብሕታዊ ፍታሕ ከም ዝኾነ ንመሓዝቱ ከእምኖም ክኽእል ኣለዎ። ከቢድ ቅልውላው ስደተኛታት ዛጊድ፡ ነቲ ካብ ኲናት ዩክረይን ዝፈስስ ዘሎ ስደተኛ ፖላንድ እያ ተሰኺማቶ እትርከብ። ዶባታታ ንሚልዮናት ስደተኛታት ክፉት ምግባራ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዘስዕቦ ጽልዋ ቀሊል ኣይኸውንን ድሮ'ኳ ጸቕጢ ክፈጥረላ ጀሚሩ ኣሎ። ምናልባት ጉዳይ ስደተኛታት ብውሕሉል ኣገባብ እንተዘይተታሒዙ፡ ነታ ሃገር ናብ ማሕበራዊ ቅልውልው ክወስዳ ይኽእል፤ ቁጠባዊ ዘይምርጋግእን'ውን ከስዕበላ እዩ ተባሂሉ ይግመት። እታ ሃገር ኣባል- ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ኮይና ክትቅጽል ከም እትኽእል ምርግጋጽ ድማ፡ ንኣመሪካ ዘሻቕላ ጉዳይ ኣሎ። ወተሃደራዊ ፍታሕ ኣመሪካ ኣብ ኲናት ዩክሬን፡ ነዊሕ ርሕቐት ዝጓዓዙ ዘመናዊ ሚሳይላትን ወተሃደራዊ ስርዓት ምክልኻልን ክተቕርብ ምዃና ገሊጻ'ኳ እንተበረ ዛጊድ ኣፋዊ መጽበዓ ኮይኑ ዝተረፈ ይመስል። ብፍላይ እቲ ዘመናዊ ዝበሃል መቃወሚ ኣየር [ኣንጻር ነፈርቲ ውግእ] እንተሰዲዳ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኔቶ ብኸመይ ምላሽ ትህብ ዝብል ንኣመሪካ የሻቕላ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ እቶም ገዘፍቲ ወተሃደራዊ ኣጽዋራት ናብ ዩክረይን ምግዓዝ ብዘይካ ምትሕግጋዝ ሃገራት ኣውሮጳ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ፍኖተ-ካርታ እገዳ ኣዝዮም ከበድቲ ዝበሃሉ ካብ ኣመሪካን ፈተውታ ሃገራት ኣውሮጳን ዝተነብሩ እገዳታት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ተካይዶ ዘላ ወራር ኣብ ምቕልባስ ዛጊድ ፍረ ኣየፍረዩን ምባል ይከኣል። እቲ ወራር ጠጠው ምባል ኣይተኽኣለን። እቲ ዛጊድ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተነቢሩ ዘሎ ማዕቀብ፡ ቀስ ብቐስ ጽልዋ ከሕድርን ንሩስያ ከዳኽማን ግን ትጽቢት ይግበር። ሳዕቤን እቶም እገዳታት ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናሓየለ ዝሓድር ከም ዝኾነ እዩ ዝእመን። እንተኾነ፡ ኣመሪካ ነተን መሓዙት ሃገራት ኣእሚንካ፡ ነዚ ወራር ብቕልጡፍ ኣብ ምክልኻል ከምኡ'ውን ካልእ ዝተዋደደ ምንቅስቓስ ተጠቒምካ ንሩስያ ኣብ ምቕጻዕ ጸቕጢ ዘሎ ይመስል። ጉዳይ ቻይና ኣመሪካ ኮነ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ፡ ቻይና ንርእሳ ካብ ሩስያ ክተርሕቕ ንምእማን ካልእ ዝተዋደደ ጻዕሪ ዝሓትት እዩ። እንተተኻኢሉ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝተኸፍተ ወራር ካብ ልቢ ክትኩንኖ ምእማን የድሊ። ቻይና ንሩስያ ብቕሉዕ ክትሕግዝ እንተፈቲና ግና፡ ኣብ ልዕሊኣ ክንበር ዝኽእል እገዳ ድሮ'ኳ ቁጠባኣ ክጻወሮ ከም ዘይኽእል የርኢ ኣሎ። እንተኾነ ሩስያ፡ ኣብ መጻኢ ዓለማዊ ቁጠባዊ ጉባኤ ጉጅለ-20 ክትሳተፍ ኣለዋ ኢላ ቅዋም ምሓዛ፡ ዛጊድ መርገጺ ቻይና ከም ዘይነጸረ ዘመልክት እዩ። እዚ ብዙሕ ሓበራዊ ድኻም ዝሓትት ከም ዝኸውን'ውን የመልክት።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60857532"} {"headline":"ኵናት ዩክረይን፡ መራሕቲ ኣውሮጳ ንፕረዚደንት ዘለንስኪ ንምርካብ ብሓደገኛ መገዲ ባቡር ተጓዒዞም","content":"ዩክረይን፡ ንፕረዝደንት ዘለንስኪ ንምርካብ ንርእሶም ኣብ ሓደጋ ብምጥሓል ካብ ፖላንድ ብሓደገኛ ጉዕዞ ባቡር ናብ ኪቭ ንዝመፅኡ መራሕቲ ኣውሮጳ ንኢዳ። ቀዳሞት ሚኒስትራት ፖላንድ፣ ስሎቬኒያን ቼክ ሪፐብሊክን ትማሊ ሰሉስ እዮም ብባቡር ተጓዒዞም ናብ ርእሰከተማ ኪቭ ኣምሪሖም። ቀዳማይ ሚኒስትር ቼክ ሪፐብሊክ ፔተር ፍያላ፡ \"ዩክሬናውያን በይንኹም ኣይኮንኩምን\" ብምባል፡ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ዩክረይን ምዃኑ ገሊፁ። ሰለስቲኦም መራሕቲ፡ ሩስያ ንዩክረይን ምውራራ ስዒቡ ናብ ዩክረይን ዝበፅሑ ፈላሞት መራሕቲ ሃገራት እዮም። እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ብመገዲ ትዊተር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ \"ንናህትና ህይወት'ውን ከምትቃለሱ ንፈልጥ ኢና። በይንኹም ኣይኮንኩምን፤ ኣብ ጎንኹም ኢና\" ኢሉ። ቀዳማይ ሚኒስትር ፖላንድ ማቴዮሽ ሞራቬስኪ ብወገኑ፡ ኣውሮጳ እንተድኣ ንዩክረይን ስኢና ከም ቀደማ ኣይክትኸውንን ኢሉ። ፕረዝደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ \"ምብፃሕኩም ንዩክረይን ዓብይ ድጋፍ እዩ\" ኢሉ። ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ዴኒስ ሽሚሃል ድማ፡ \"ኣብ ልዕሊ ሩስያ ብዛዕባ ክንበር ዝግበኦ ማዕቐብን ደጋፊት ግብረራዕዲ ምዃናን ተዘራሪብና ኢና\" ክብል ብመገዲ ትዊተር ሓቢሩ። እቶም መራሕቲ ኣብ ዝዝትይሉ እዋን፡ ብርቱዕ ነትጒታት ይስማዕ ነይሩ። ሕብረት ኣውሮፓ ዋላ'ኳ ሰለስቲኦም ፖለቲከኛታት ዝተፈለየ ዛዕባ ሒዞም እንተዘይከዱ፡ እቶም ኣብ ብራስለስ ዘለዉ መራሕቲ እቲ ሕብረት ግና ብዛዕባ እቲ ምብፃሕ ይፈልጡ'ዮም ኢሉ። ምክትል ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ፖላንድ ማርሲን ፕርሲዳክዝ፡ ዝነበሮም ጉዕዞ ሓደገኛ ከምዝነበረ ብምእማን፡ \" እንተኾነ ንዕላማ ዝተገበረ ከምዝኾነ\" ሓቢሩ። ብዛዕባ እቲ ምብፃሕ ንሩስያ ከምዘፍለጡ'ውን ተዛሪቡ። ሰለስቲኦም መራሕቲ ብናይ ፖላንድ ወተሃደራዊ ኣየር እንተድኣ ተጓዒዞም ሩስያ ከም ምትዂታኽ ክትርእዮ ትኽእል'ያ ብዝብል ስግኣት እዮም፡ ባቡር ክጥቀሙ ወሲኖም። እታ ነዞም መራሕቲ ሒዛ ዝመፅአት ባቡር መዓስ ናብ ርእሰከተማ ፖላንድ ዋርሶ ከምትምለስ ኣይተፈለጠን። ፕረዝደንት ዩክረይን ዘለንስኪ፡ ክሊ ኣየር ሃገሩ ካብ በረራ ክእገድ ብተደጋጋሚ ንኔቶ ዝተማሕፀነ እንትኾን፡ ኔቶ ግና ነዚ ስጉምቲ ንምውሳድ ፍቓደኛ ኣይኮነን። ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡\"ንዘበናት ናብ ኔቶ ክንፅንበር ኣፍደገታት ክፉታት'ዮም ንበሃል ነይርና። ሕዚ ግና ኣባል ኔቶ ክንኸውን ከምዘይንኽእል ተነጊሩና። እዚ እዩ እቲ ሓቂ፤ ኣፍልጦ ክወሃቦ ድማ ይግባእ። ህዝበይ ነዚ ተረዲኡ ኣብ ባዕሉን ኣብ ዝሕግዛና ሃገራት ክምርኰስን ምጅማሩ ሕጉስ እየ\" ኢሉ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60761476"} {"headline":"እገዳታት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ቢልዮነራት እታ ሃገር ዘለዎ ጽልዋ እንታይ’ዩ?","content":"ብሪጣንያ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣሜሪካን ካልኦት መንግስታትን ነቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር: ኣብ ልዕሊ እቶም ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ቅርበት ከምዘለዎም ዝግለጽ ቢልዮነራት ከቢድ እገዳታት ብምግባር እዮም ምላሽ ሂቦም። እዚ ከኣ ክቡራት ጀላቡ፡ ቪላታትን ናይ ውልቂ ነፈርትን ከይተረፈ ክተሓዙ ገይሩ ኣሎ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60979166"} {"headline":"ሓይልታት ዩክረይን ኢዶም እንተዘይሂቦም ድብዳብ ኣየቋርጽን- ፑቲን","content":"ፑቲን ሰራዊት ዩክረይን ኢዶም እንተሂቦም ጥራይ ነታ ኣብ ክባ ዘላ ከተማ ማርዩፖል ምድብዳብ ደው ከምዘብል ኣፍሊጡ፡፡ ንሱ ብሰሉስ ምሸት ምስ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ዘካየዶ ናይ ሓደ ሰዓት ናይ ስልኪ ዘተ እዩ ነዚ መርገጺኡ ተዛሪቡ፡፡ ሰብመዚ ፈረንሳ ግና መራሒ ሩስያ ሰላማውያን ሰባት ካብታ ከተማ ብዛዕባ ዝወጽእሉ ትልሚታት ኣብ ግምት ንምእታው ከምዝተሰማመዐ እዮም ዝገልጹ፡፡ እታ ከተማ ብደብዳብ ሩስያ ዝበጽሓ ዕንወት ዘርእዩ ምስሊታት ወጺኦም ኣለዉ፡፡ ማክሳር ዝተባህለ ኩነታት መሬት ዝስንድ ትካል ኣብ ዘውጸኦም ምስልታት፡ መንበሪ ኣባይቲ ናብ ፍረስራስ ተቐዪሮምን ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ዝርከቡ መዳፍዕ ሩስያ ኣፈሙዝ ናብታ ከተማ ገይሮምን የርእዩ፡፡ ሰበስልጣን ፈረንሳ ካብ ቤተ መንግስቲ ኤሊሴ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ እቲ ኣብታ ከተማ ዘሎ ኩነታት ‘‘መዓት’’ ክብሉ ብምግላጽ ‘‘ሲቪላውያን ሓለዋ ክግበረሎምን እንተደልዮም ድማ ካብታ ከተማ ክወጽኡን’’ ከምኡ ድማ ቀረብ ሓገዛት ምግቢ፣ ማይን መድሃኒትን ክረኽቡን ጸዊዖም፡፡ ‘‘እቲ ከፊኡ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ምስቲ ሓይልታት ሩስያ ኣብታ ከተማ ዘንበርዎ ዕግታ’’ ዝተተሓሓዝ እዩ’’ ይብል እቲ መግለጺ፡፡ ፈረንሳ ምስ ቱርኪ፣ ግሪኽን ካልኦት ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝን ብምዃን ሰላማውያን ሰባት ካብታ ከተማ ንምውጻእ ዘኽእል ትልሚ ንፕረዚደንት ቫላድሚር ፑቲን ኣቕሪቦምሉ እዮም፡፡ ፑቲን ብወገኑ ነቲ ዝቐረበ ትልሚ ‘‘ክሓስበሉ እየ’’ ዝብል መልሲ ከምዝሃበ ሰብመዚ ፈረንሳ ኣፍሊጦም፡፡ እንተኾነ ቤተ መንግስቲ ክረምሊን ንዝርርብ እቶም መራሕቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጸኦ ሓበሬታ፡ ፑቲን ነቲ ትልሚ መረጋገጺ ከምዘይሃበሉ ኣፍሊጡ፡፡ ፑቲን ንመራሒ ፈረንሳ ‘‘ኣብታ ከተማ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ኩነታት ንምፍታሕ ሚልሻታት ዩክረይን ምክልኻል ደው ከብሉን ዕጥቆም ክፈትሑን ኣለዎም’’ ኢሉ ከምዝተዛረቦ ሰብመዚ ሩስያ ይገልጹ፡፡ ሩስያ ብኣሻሓት ንዝቑጸሩ ነበርቲ ከተማ ማርዩፖል ናብ ዝተቖጻጸረቶ ከባቢታት ክኸዱ ተገድዶም ከምዘላ ዩክረይን ትኸስስ፡፡ ከንቲባ እታ ከተማ ብሰንኪ ደብዳብ ሩስያ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝቐተሉ እዩ ዝገልጽ፡፡ ካብታ ከተማ ዝሃደመ ቫዲይም ቡይቸንኮ ዝተባህለ ውልቀ ሰብ፡ ሰራዊት ሩስያ ነታ ከተማ ምድብዳብ ካብ ዝጅምር ኣስታት 210 ህጻናት ዝከቡዎም ኣስታት 5 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐተሉ ንወኪል ዜና ሮይተርስ ገሊጹ፡፡ ብኻልእ ዜና ወሃቢ ቃል ቤተ መንግስቲ ክረምሊን ዲሜትሪ ፒስኮቭ ንመራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ትማሊ ሩስያን ዩክረይንን ኣብ ቱርኪ ዘካየደኦ ዘተ ዝረብሕ ተስፋ ከምዘይተረኸቦ ተዛሪቡ፡፡ ኣብቲ ዘተ ሩስያ ኣብ ከተማታት ኪቭን ቸርንሂቭን እተካይዶ መጥቃዕቲ ከምእትቕንሶን ፡ ዩክረይን ድማ ‘‘ዛይሻራዊ’’ ናይ ምዃን ኩነታት ከምእትሓስበሉን ገሊጸን ነይረን፡፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ግና እቲ ኣብ ኢስታንቡል ዝተገበረ ዝርርብ ንቕድሚት ዝሰጎመ ክብል ገሊጽዎ፡፡ ንሱ ሩስያውያን ንፈለማ እዋን ካብ ግዘ ገደብን ቀይሕ መሰመርን ወጺኦም ንጠለባት ዩክረይን ከምዘዳመጹ ተዛሪቡ፡፡ ብተወሳኺ ሩስያ ዋላኳ ኣብ ኪቭን ቸርንሂቭን መጥቃዕቲ ክትቅንስ ቃል እንተኣወት ዛጊድ ወታሃደራታ ኣይሰሓበትን ኢሉ፡፡ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከተማ ቸርኒሂቭን ደብዳባት ቀጺሎም ከምዘለዉ ኣመሓዳሪ ናይቲ ዞባ ሓቢሩ። ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሩስያ፡ ነቲ ናይ ትማሊ ዘተ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ተወሳኺ ሓበሬታ ሃገሩ በታ ኣብ 2014 ካብ ዩክረይን ብሓይሊ ዝመንዘዐታ ግዝኣት ክሬምያ ከምዘይትደራደር ኣፍሊጡ፡፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ እትጅምር ልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮን ዩክረይናውያን ነታ ሃገር ገዲፎም ከምዝተሰደዱ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ፡፡","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60931950"} {"headline":"ኲናት ዩክረይን፡ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ንባይቶ ኣመሪካ መደረ ኣስሚዑ","content":"ኣንጻር ወራር ሩስያ ዝቃለስ ዘሎ መራሒ ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ንመጋባእያ ክልቲኡ ባይቶታት ኣመሪካ ኣብ ዘስምዖ መደረ ኣመሪካን መሻርኽታን ንህዝቢ ዩክረይን ዘርኣይዎ ምሕዝነትን ዝህብዎ ዘለዉ ደገፍን ከም ዝንእድ ገሊጹ። ኣብ መደርኡ፡ ሃገራት ምዕራብ ንዝህብኦ ዘለዋ ወተሃደራዊ ደገፋት ብምምስጋን፡ ንመጥቃዕቲ ሩስያ ንምክልኻልን ህዝቢ ንምድሓንን ናይ ክሊ ኣየር ውሕስነት ንምርካብ ነፈርቲን ጸረ-ነፈርቲ ሚሳይላትን ክወሃቦ ጠሊቡ። እንተኾነ ግን፡ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዩክረይን ብምእታው ክገብርዎ ዝኽእሉ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ምስ ሩስያ ኣብ ቀጥታዊ ረጽሚ ዘምርሕ ብምዃኑ ከም ኣማራጺ ከም ዘይወስድዎ ብተደጋጋሚ ኣነጺሩ'ዩ። ባይደን፡ ድሕሪ'ቲ መደረ ተወሳኺ ኣስታት 800 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ወተሃደራዊ ደገፍ ከጽድቕ ትጽቢት ይግበረሉ። ዘለንስኪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት ንፓርላማ ሕብረት ኣውሮጳን ፓርላማ ብሪጣንያን ተመሳሳሊ መግለጺታት ሂቡ ምንባሩ ይዝከር። እቲ ካብ ኣቕራቢ መስሓቕ መደብ ተለቪዢን ናብ ፕረዚደንትነት ዝደየበ ዘለንስኪ፡ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ሓይልታት ሩስያ ንሃገሩ ምስ ወረሩዋ መራሒ እዋን ኲናት ክኸውን ተገዲዱ ይርከብ። ብዘርኣዮ ጽንዓትን ድማ፡ ካብ ዜጋታቱን ምዕራባውያን መራሕቲን ኣድናቖት ኣትሪፉ'ሎ። ሩስያ፡ ነቲ ትቕጽሎ ዘላ፡ ሂወት ብዙሓት ቀዚፉ ዘሎ ኲናት ደው ከተብል እንተኾይና፡ ዘቕረበቶም ቅድመ-ኲነት ክማላእ ኣለዎ ብሃሊት'ያ። ገለ ካብቲ ቅድመኩነታት፡ ዩክረይን ኣባል ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ከምዘይትኸውን መብጽዓ ክትኣቱ፡ ነቲ ብሓይሊ ተመንዚዑ ዝተወስደ ዞባ ክሪምያ ኣካል ሩስያ ምዃኑ ክትኣምንን፡ ክልተ ካልኦት ዞባታት (ዶነስክን ሉሃንስክን) ናጻ ሃገራት ምዃነን ኣፍልጦ ክትህብን ዝብሉ ይርከብዎም። ዩክረይን ድሕሪ'ቲ ምስ ሩስያ ከተካይዶ ዝጸንሐት ርክባት፡ ጠለባት ሩስያ ኢድካ ምሃብ'ዩ ብምባል ነጺጋቶ'ላ። 'መጻኢ ዩክረይን ዝውሰነሉ ዘሎ እዋን ኢና ዘለና' እቲ ካብ ኣባላት ባይቶ ድሙቕ ጣቒዒትን ደገፍን ዝተዋህቦ ወተሃደራዊ ማልያ ዝተኸድነ ዘለንስኪ \"\"ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ጥራይ ኣይኮነትን መጥቃዕቲ ፈጺማ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ክብሪታትና እንኮላይ'ያ\" ኢሉ። ብዛዕባ ኲናት ዩክረይን ክሓስቡ እንከለዉ \"መጥቃዕቲ መስከረም 11 ዘክሩ\" ክብል ንክብደት ናይቲ ኣጋጢምዎም ዘሎ ኩነታት ኣስሚሩሉ። ካብ መጥቃዕቲ ኣየር ናጻ ዝኾነ ሰብኣዊ ውሑስ ክሊ ኣየር ክህሉ'ውን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ተማሕጺኑ። ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝግበር ዘሎ እገዳታት ሓዪሉ ክቕጽል'ውን እቲ ፕረዚደንት ጸዊዑ'ሎ። \"ሩስያ ንዩክረይን ንምድምሳስ እትጥቀመሉ ዋላ ሓንቲ ሳንቲም ከምዘይትረክብ ግበሩ\" ክብል'ውን ተዛሪቡ። ዘለንስኪ፡ ንመደርኡ ሂወት ዜጋታት ሃገሩ ቅድምን ድሕርን ኲናት ምውልዑ ዘርኢ ቪድዮ'ውን ንኣባላት ኮንግረስ ከም ዝዕዘቡ ገይሩ። እቲ ቪድዮ፡ ህንጻታት ብሚሳይላት ሩስያ ክዓንዉን ግዳያት ናይቲ ኲናት ዝርከብሉ ሃለዋትን ዘብርህ'ዩ። \"ተባዕ ዩክረይን ህዝባ ንምድሓን ከትቃለስ'ያ\" ክብል'ውን መርገጺኡ ከምዘይተቐየረ ኣነጺሩ። \"ወዲ 44 ዓመት ኮይነ ኣለኹ። ሎሚ ግን ልዕሊ ሚእቲ ህጻናት ድሕሪ ምቕታሎም፡ ዕድመይ ኣብቂዑ'ሎ\" ክብል'ውን ተሰሚዑ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60768386"} {"headline":"ቻምፕዮንስሊግ ኣውሮጳ፡ ክልተ ክለባት ስፔን ድሮ ናብ ፍርቂ-ፍጻመ ሓሊፈን ኣለዋ","content":"ካልኣይ ክፋል ናይ ካልኣይ እግሪ ግጥማት ርብዒ-ፍጸመ ቻምፕዮንስሊግ ሎሚ ክዛዘም'ዩ። ትማሊ ሰሉስ ክለባት ሪያል ማድሪድ፡ ባየርን ሙኒክ፡ ቸልሲን ቪላሪያልን ተጻዊተን ነይረን። ሎሚ ምሸት ድማ ሊቨርፑል፡ ኣትለቲኮ ማድሪድ፡ ማንቸስተር ሲቲን በነፊካን ክጋጠማ'የን። ብዓለም ደረጃ እቲ ዝዓበየ ክብሪ ዝወሃቦ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ክለባት ቻምፕዮንስሊግ ኣውሮጳ ምዃኑ ዘከራኽር ኣይኮነን። ዓወት ዓበይቲ ክለባት ኣውሮጳ ዝምዘነሉን ዝግምገመሉን ውድድር ስለዝኾነ ድማ'ዩ ብደገፍትን ተጻወትን ዓቢ ኣቓልቦ ዝወሃቦ። ናብቲ ውድድር ንምስታፍ ጋንታታት፡ ተጻወቲን ኣሰልጠንትን ንኣስታት ክልተ ዓመት (ፈለማ ኣብ ናይ ሃገሮም ሊግ ካብ ቀዳሞት ኣርባዕተ ኮይኖም ክወጹን ምስ ተዓወቱ ድማ ኣብቲ ውድድር ብምስታፍን) ሓያል ጻዕርን፡ ገንዘብን ረሃጽን የፍስሱ። ብፍላይ ናብ ናይ ፍጻመ ጸወታታት ምብጻሕ ርእሱ ዝኸኣለ ዓወት'ኳ እንተኾነ፡ ንዝቕጽል ደረጃ ዘወናውን'ዩ። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዘመነ-ውድድር (2021\/2022) ናብ ርብዒ ፍጻመ ዝበጽሓ 8 ጋንታታት ሰለስተ ካብ ስጳኛ (ሪያል ማድሪድ፡ ኣትለቲኮ ማድሪድ፡ ቪላሪያል)፡ ሰለስተ ክለባት እንግሊዝ (ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዋንጫ ዝዓተረት ቸልሲ፡ ሊቨርፑልን ማንቸስተር ሲቲን)፡ ጀርመናዊት ጋንታ ባየርን-ሙኒክን ከምኡ'ውን ፖርቱጋላዊት ጋንታ በነፊካን እየን። ነፍሲወከፍ ግጥማት ርብዒ-ፍጻመ፡ ኣብ ክልተ እግሪ ብዝግበር ጸወታታት'ዩ ዝውሰን (ክልተ ጋንታታት ክልተ ግዜ ይጻወታ)። ትማሊ ሰሉስ ምሸት ኣብ ዝነበረ ግጥማት፡ ቪላሪያል ነታ ዓንተር ናይቲ ውድድር ምዃና እትፍለጥን ኣብ ዓመት 2019\/2020 ዋንጫ ዝተዓወተትን ጀርመናዊት ክለብ ባየርን ብምስዓር ናብ ፍርቂ-ፍጻመ ምሕላፋ ሓደ ካብቲ ኣቓልቦ ዝሰሓበ ፍጻሜታት ናይቲ ውድድር ኮይኑ'ሎ። ኣብቲ ኣብ ሜዳኣ (ስጳኛ) ዝተኻየደ ግጥም 1-0 ዝሰዓረት ቪላሪያል፡ ኣብ ሜዳ ባየርን ሙኒክ ኣብ ዘካየደቶ ናይ መልሲ (ካልኣይ እግሪ) ጸወታ ድማ 1-1 ብምምዝዛም፡ ብድምር 2-1 ስዒራ'ያ ሓሊፋ ዘላ። ትማሊ ዝተኻየደ ካልእ ኣገዳሲን ሓያል ህልኽን ህርመት ልብን ዝተራእየሉ ግጥም ግን እቲ ኣብ መንጎ'ታ ኣብ ዝሓለፈ ዘመነ-ውድድር ዋንጫ ዝወሰደት ቸልስን እታ ብዋንጫታት ናይቲ ውድድር ብምዕታር መዘና ዘይተረኽባ ሪያል ማድሪድን ዝነበረ ጸወታ'ዩ። ቸልሲ፡ ኣብቲ ኣብ ሜዳኣ (ስታምፈርድ ብሪጅ) ዝተኻየ ቀደማይ እግሪ ግጥም፡ 3-1 ተሳዒራ ብምንባራ፡ ኣብቲ ኣብ ስታድዮም በርናብዮ ዝተኻየደ ካልኣይ እግሪ ንዝኣተዋ ሸቶታት ኣማሊሳ፡ ነታ ነዊሕ ተመኩሮ ናይቲ ውድድር ዘለዋ ሪያል ማድሪድ ረጊጻ ክትሓልፍ'ኣ ኢሉ ዝገመተ ውሑድ'ዩ ነይሩ። ነውጺ ዓሰርተታት ኣሽሓት ደገፍቲ ሪያል ዘይዓጀቦም ተጻወቲ ቸልሲ ግን ተስፋ ኣይቆረጹን። ኣብ ውሽጢ 15 ደቂቕ ድማ ብመንገዲ ተጻዋታይ ማእከል ማሶን ማውንት ቀዳመይቲ ሸቶ ኣመዝጊቦም። በዚ ተስፋ ዝሰነቑ ተጻወቲ እታ ክለብ ድሕሪ ዕረፍቲ መጥቃዕትታቶም ብምሕያል ኣብ መበል 51 ደቂቕ ድ ማተኸላኻላይ ኣንቶንዮ ሩዲገር ብዘመዝገባ ካልኣይቲ ሸቶ፡ ቸልሲ ብድምር ምስ ሪያል ማዕረ ኮይና፡ መን ሰዓረ ዝውስን ጸወታ ረሲኑ ቀጺሉ። ኣብ መበል 75 ደቂቕ ድማ ኣጥቃዓይ ቲሞ ወርነር፡ ቸልሲ ናብ ፍጻመ ከተማዕዱ ዝገበረትን ንሪያል ማድሪድ ኣብ ሓደጋ ዘውደቐትን ናይታ ምሸት ሳልሰይቲ ሸቶ ኣመዝጊቡ። ኣብታ ህሞት ቸልሲ ብድምር 4-3 ትመርሕ ነይራ ማለት'ዩ። ተጻወቲ ናይታ ዛጊት 13 ዋንጫ ቻምፕዮንስሊግ ኣውሮጳ ኣብ ከብሕታታ ኣስፊራ ዘላ ዓርሞሸሽ ክለብ ሪያል ማድሪድ ግን ተስፋ ኣይቆረጹን- ከምቲ ድሕሪ'ቲ ግጥም ገለ ካብ ተጻወታ ዝገለጽዎ ድማ ዝነበሮም ተሞክሮ ኣብ መወዳእታ ከይጠቐሞም ኣይተረፈን። ተቐዪሩ ዝኣተወ ተጻዋታይ ሪያል ሮድሪጎ ሲልቫ ዲ ጎዝ፡ ኣብ መበል 80 ደቒቕ ብዘመዝገባ ሸቶ ክልቲአን ጋንታት ንዝተመደበለን 90 ደቒቕ ብማዕረ ብምውድአን፡ ጸወታ ናብ ተወሳኺ 30 ደቒቕ ኣምሪሑ። ገዲም ኣጥቃዓይ ሪያል ፈረንሳዊ ካሪም በንዜማ ኣብ ውሽጢ ቀዳሞት ደቓይቕ ተወሳኺ ግዜ ብርእሱ ዘመዝገባ ሸቶ ነቲ ኩነታት መሊሳ ቀይራቶ። ዝቐጸላ ደቓይቕ ከኣ ሓያል ቅልስ ዝተራእየለን'የን ነይረን። እንተኾነ ግን፡ ዋላ'ኳ ሓያሎ ዕድላት ክፈጥሩ እንተኸኣሉ ተጻወቲ ቸልሲ ተወሳኺ ሸቶ ከየመዝገቡ ናይ መወዳእታ ፊስካ ተነፊሓ፡ ካብቲ ውድድር ክወጹ ተገዲዶም ኣለዉ። ሎሚኸ እንታይ ትጽቢት ይግበር? ሎሚ ምሸት'ውን ኣብ ቀዳማይ እግሪ ጸወታ ብጸቢብ ስዒራ ዝሓለፈት እንግሊዛዊት ክለብ ማንቸስተር ሲቲ፡ ንናይ መልሲ ጸወታ ናብ ርእሰከተማ ማድሪድ ኣምሪሓ'ላ። እታ ድሮ 1 ብ 0 ስዒራ ዘላ፡ ብፍሉጥ ኣሰልጣኒ ፐፕ ጓርድዮላ እትምራሕ ሲቲ፡ ዋንጫ ቻምፕዮንስሊግ ንምዕታር ሃንቀው ካብ እትብል ዓመታት ሓሊፉ'ሎ። ነቲ ሕልሚ ንምጭባጥ ድማ ሎሚ ምሸት ተወሳኺ ዕድል ክህልዋ'ዩ። ብዲየጎ ሲሞን እትእለ ኣትለቲኮ ማድሪግ ግን ብቐሊሉ ክትጋደፋ እትኽእል ከምዘይኮነት ኣብ ቀዳማይ እግሪ ብዘርኣየቶ ጸወታ ኣመስኪራ'ላ። ኣብ ሜዳኣ ክትጻወት ምዃና'ውን ተወሳኺ ሞራል ዝህባ'ዩ። ኣብ ዓመተ 2018\/19 ዋንጫ ቻምፕዮንስሊግ ኣውሮጳ ዝዓተረት ሊቨርፑል'ውን ኣብ ሜዳኣ ምስ ፖርቱጋላዊት ጋንታ በነፊካ ክትጻወት'ያ። ድሮ ኣብ ቀዳማይ እግሪ ጸወታ 3 ብ 1 ስዒራ ስለ ዝተመልሰት ግን፡ ነቲ ግጥም ክትዕወተሉ ትጽቢት ይግበር። በነፊካ ከምቲ ናይ ቸልሲ ስኖም ነኺሶም እንተ ተጻዊቶም ግን፡ ነገራት ክጋላበጥ ይኽእል'ዩ- ኩዕሶ እግሪ'ዩ። ጸብጻብ ናይቲ ግጥማት ጽባሕ ከነቕርበልኩም ኢና፡ ሰናይ ዕድል ንደገፍቲ ናይተን ጋንታታት!","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61100121"} {"headline":"ሮማን ኣብራሞቪች: እቲ ከም እተሰመመ ዝዝረበሉ ዘሎ ሩስያዊ ቢልዮነር መን’ዩ?","content":"ካብ ወዲ ሰለስተ ዓመት ጀሚሩ ኣብ መናበዪ ዘኽታማት ዝዓበየ ሮማን ኣብራሞቪች ሓደ ካብ ሃብታማት እዛ ዓለም እዩ። ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ጥቡቕ ርክብ ከምዘለዎን ካብቲ ዝምድና ገንዘብ ከምዘኻዕብትን ይኽሰስ። መንግስቲ ብሪጣንያ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ቸልሲ ንእትርከቦ ሃብቲ እቲ ቢልዮነር ኣደስኪሉ ኣሎ። ኣብራሞቪች ኣብቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዶብ ቤላሩስ-ዩክረይን ኣብ ዝተኻየደ ዝርርብ ሰላም ተሰሚሙ ክኸውን ከምዝኽእል ናብኡ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ይሕብሩ። እንተኾነ ግና ኣብቲ ኣብ ቱርኪ ዝተገብረ ርክብ ሩስያን ዩክረይንን ተሳቲፉ እዩ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60924763"} {"headline":"ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ፈላማይ ኣፍሪቃዊ ተዓዋቲ ውድድር ጌንት-ዌቨልገም ኮይኑ","content":"ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጌንት-ዌቨልገም ብምዕዋቱ ታሪኽ ሰሪሑ። ንሱ ኣብቲ ካብ 1934 ጀሚሩ ዓመታዊ ንሓደ መዓልቲ ኣብ ዝካየድ ክላሲካዊ ቅድድም ብሽክለታ ዝተዓወተ ፈላሚ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ወዲ 21 ዓመት ተቐዳዳማይ ድሕሪ ምዕዋቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ \"ክትኣምኖ ዘጸግም፡ ዘደንቕ እዩ። ከምዚ ኣይተጸበኹን\" ኢሉ። ክሳዕ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብቲ ውድድር ናይ ምስታፍ ውጥን ከም ዘይነበሮም ዝገለጸ ቢንያም \"ደሓን ዝኾነ ውጽኢት ንምርካብ ኢና መጺና። ክትኣምኖ ዘጸግም ዘድነቕ እዩ\" ክብል ተዛሪቡ። ቢንያምን ካልኦት ሰለስተ ተቐዳደምትን ኣብተን ናይ መወዳእታ 30 ኪሜ ካብ ዓባይ ጉጅለ ፈንጢሶም ድሕሪ ምውጻእ ናይ መዛዘሚ ህንጻጽ ንምርጋጽ 250 ሜተር ምስተረፎም ሓያል ቅጽበታዊ ውድድር (ቮላታ) ኣካዪዶም። ተቐዳዳማይ በልጅዩማዊት ጋንታ ኢንተርማርች ዋንቲ ጎበርት ዝኾነ ቢንያም፡ \"እዚ ኣብ መጻኢ፡ ብፍላይ ንኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ፡ ብዙሕ ነገር ክቕይር እዩ\" ኢሉ። እቲ ገለ ክፋሉ ኣብ ዘይምቹእ ጽርግያ (ኮብል) ዝካየድ 248.8 ኪሜ ዝሸፍን ቅድድም ጌንት-ዌቨልገም፡ ብዙሕ ግዜ ከም መማሞቒ ሰብነት ናይእቲ ዝዓበየ ቅድድም ብሽክለታ ቤልጅዩም ዝኾነን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ዝኻየድን ዙር ፍላንደርስ ይርአ። ንፈለማ እዋን እምኒ ኣብ ዝተሰርሐ ጽርጊያ ዝተወዳደረ ቢንያም \"እቲ ኮብል ኣሸጋሪ እዩ፡ ምቹእ ኣይኮነን\" ክብል ርእይቶኡ ኣካፊሉ። \"ናብቲ ቅጽበታዊ ውድድር ምስ ቀረብና፡ እቶም ካልኦት ክሕይሉኒ ምዃኖም ፈሊጠ ነይረ፤ ግና ትብዓት ተሰሚዑኒ\" ኢሉ። ቢንያም ኣብ ዙር ፍላንደርስ ኣይክሳተፍን እዩ። ቢንያም ኣብ ሕዳር 2021 ኣብ ዝተኻየደ ናይ ጽርጊያ ቅድድም ሻምፕዮና ዓለም ብትሕቲ-23 ዓመት ካልኣይ ኮይኑ ብምእታው፡ ፈላማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ኮይኑ ናብ መድረኽ ደዪቡ እዩ። ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ውድድር ቻምፕዮና ዓለም ኢጣልያዊት ተቐዳዳሚት ጋንታ ትሬክ ሰጋፍሬዶ ኤሊሳ ባልሳሞ ተዓዊታ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60898040"} {"headline":"ኵናት ዩክረይን፡ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ዶብ ዩክረይን ኣድልዎ ይፍፀም'ሎ ንዝብል ፀብፃብ ነፂጉ","content":"ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኬንያ፡ ኣብ ዶብ ዩክረይን ኣንፃር ኣፍሪቃውያን ይፍፀም ኣሎ ንዝብሉ ፀብፃባት ነፂግዎም። ብሰንኪ እቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈፀመቶ ወራር ልዕሊ 200 ኬንያውያን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ እቲ ዝተውሃበ መግለፂ ይሕብር። እቲ መግለፂ፡ \"ሕብረት ኣውሮጳ በቲ ብተደጋጋሚ ኣብ መራኸቢቲ ሓፋሽ ኬንያን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዝወፅአ ዘይትኽክልን ቀይናን ፀብፃብ ሓዚኑ'ዩ፡ ሓቅነቱ ድማ ብጥንቃቐ ምርግጋፅ የድሊ\" ኢሉ። \"ኣብ ገለ ጉዳያት ኮነ ተባሂሉ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ክዝርጋሕ ተገይሩ'ዩ። ኣብ ኬንያ ዘለዋ ኤምባሲታት ሕብረት ኣውሮጳ ድማ ቅኑዕ መረዳእታ ንምሃብ ድሉዋት እየን\" ኢሉ። ፖላንድ፣ ስሎቫኪያ፣ ሃንጋሪን ሮማንያን ካብቲ ኣብ ዩክረይን ተወሊዑ ዘሎ ጎንፂ ንዝሃድሙ ብዘይገደብ ንክኣትዉ ከምዝፈቐዳ ከኣ እቲ ልኡኽ ሓቢሩ። \"ከምቲ ፀብፃባት ገለ ማዕከናት ዜናታት ዘይኮነስ፡ እቶም ኣብ ዶብ ዝበፅሑ ኬንያውያን፡ ኣባላት ሕብረት ኣውሮጳ ናብ ዝኾና ሃገራት ክኣትዉ ተሓጊዞም እዮም\" ይብል፡ መግለፂ እቲ ልኡኽ። ኣብ ዩክረይን ዝነበሩ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ተምሃሮ፡ ካብታ ሃገር ከይወፅኡ ብኣካላት ፀጥታ ዩክረይን ከምዝተኸልከሉ ምግላፆም ይፍለጥ። ዩክረይን ኣባል ሕብረት ኣውሮጳ ኣይኮነትን። ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ተፈፂሙ ዝበሃል ኣድልዎ ኮኒንዎ'ዩ። ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኬንያ፡ ካብቶም ካብ 24 ለካቲት ክሳብ 28 ለካቲት ናብ ፖላንድ ምስጋር ዝኸኣሉ 350 ሽሕ ስደተኛታት፡ 7721 ኣፍሪቃውያን ከምዝነበሩን ካብዚኦም እቶም 88 ኬንያውያን\" ከምዝኾኑ ሓቢሩ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ካብ 40 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመፅኡን ኣብ ዩክረይን ዝነበሩን 4150 ሰባት ናብ ስሎቫኪያ ከምዝሰገሩ ገሊፁ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60584126"} {"headline":"ኲናት ዩክረይን፡ ሰራሕተኛታት ናይታ ዝጠሓለት መርከብ ሩስያ 'ንፈለማ እዋን ተራእዮም'","content":"ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ንፈለማ እዋን ምስሊ ኣባላት ናይታ ብሞስክቫ እትፍለጥን ምልክት ሩስያ ዝነበረትን ኣብ ኲናት ዩክረይን ዝጠሓለት ገዛፍ ወታሃደራዊት መርከብ ዘርጊሑ፡፡ እቲ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣብታ ኣብ ክሬምያ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ሴቫስቶፖል፡ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኣድሚራል ኒኮላይ የቭመኖቭ ንብዙሓት ዝተሰለፉ ባሕረኛታት ሰላምታ ክህቦም ይረኣይ፡፡ ሞስክቫ ፍልይቲ ምልክት መራኸብ ጸሊም ባሕሪ እያ ነይራ፡፡ ምጥሓል ናይታ መርከብ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ከቢድ ሞራላዊ ኪሳራ ከምዘስዓበ እውን ዝግለጽ፡፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ብሓሙስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ሞስክቫ ነትጒ ብዝፈጠሮ ሓዊ ከምዝጠሓለት ኣፍሊጡ እዩ፡፡ ዩክረይን ብኽልተ ነፕቱን ሚሳይላት ወቒዓ ከምዘጥሓለታ እያ እትገልጽ፡፡ ሩስያ ንሰራሕተኛታት ናይታ መርከብ፡ ናብታ ኣብ 2014 ብሓይሊ ካብ ዩክረይን ዝመንዘዐታ ግዝኣት ክሬምያ እትርከብ ደሴት ሴቫስቶፖል ከምዘግዐዘቶም ሓቢራ ኣላ፡፡ ኣብቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ዝዘርገሖ ቪድዮ ኣድሚራል የቭመኖቭን ካልኦት ክልተ ሰብመዝን ኣብ ቅድሚ ኣስታት 100 ባሕረኛታት ዘርእይ ኮይኑ፡ እቲ ርክብ መዓዝ ከምዘተኻየደ ግን ኣይገለጸን፡፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ኣዛዚ እቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ሴቫስቶፖል ኣብ ዝርከብ ወታሃደራዊ ማእከል ዓሪፎም ከምዘለዉን፡ ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ዘለዎም ኣገልግሎት ከምዝቕጽሉን ክዛረብ ይስማዕ፡፡ ሩስያ ኣብታ ዝጠሓለት መርከብ ብዛዕባ ዝበጸሐ ጉድኣት ኣይገለጸትን፡፡ ሽሙ ዘይተገለጸ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ግና ሃገሩ ኣብቲ ሓደጋ ጉድኣት ከምዝበጸሐ ከምእትኣምን ንሮይተርስ ተዛሪቡ፡፡ ዩክረይን ብወገና ካፕቴን ናይታ መርከብ ኣንቶን ኩፕሪን ኣብቲ ሓደጋ ከምዝተቐተለ'ኳ እንተገለጸት፡ ቢቢሲ ከረጋግጽ ኣይከኣለን፡፡ እታ 12,490 ቶን እትምዘን ተዋጋኢት መርከብ፡ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ውግእ ዝጠሓለት ዝዓበየት መርከብ እያ፡፡ ኣብታ ሩስያ ንዩክረይን ዝወረረትላ ናይ መጀመርታ መዓልቲ 24 ለካቲት፡ ሰራሕተኛታት ሞስክቫ ነቶም ንስኔክ ኣይስላንድ ዝሕልዉ ዝነበሩ ውሑዳት ዩክረይናውያን ወታሃደራት ኢዶም ክህቡ እንትሓቱዎም ብዝተቐደሐ ድምጺ ኣዘራራቢት ኮይና ነይራ፡፡ ኣብቲ እዋን እቶም ወታሃደራት ''ናብ ገደል እተዉ'' ዝብል ምላሽ ብምሃብ ንዝገለጽዎ እምቢታ ብዩክረይናውያን ዓብዪ ናእዳን ክብርን ተዋሂብዎም፡፡ ኣብ ዘበነ ሶብየት ዝተሃነጸት ወታሃደራዊት መርከብ ሞስክቫ፡ ኣብ ፈለማ 1980ታት እያ ናብ ስራሕ ኣትያ፡፡ እታ መርከብ ኣብታ ኣብ ቀረባ መዓልቲታት ብኸቢድ ብሰራዊት ሩስያ ዝተደብደበት ዩክረይናዊት ከተማ ማይኮለይቭ እያ ተሰሪሓ፡፡ ሞስክቫ ኣብ ኲናት ሶርያ ንዝሳተፉ ሓይልታት ሩስያ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኮይና ሚሳይላት ብምትኳስ ሽፋን ብምሃብ ተሳቲፋ እያ፡፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ድሕሪ ዝጀመረቶ ወራር ዝኸሰረታ ካልኣይቲ ዓባይ መርከብ ኮይና ኣላ፡፡","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61132984"} {"headline":"ሕብረት ኤውሮጳ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕቡራት ሃገራት ንዘጣየሾ ዓለምለኻዊ መርማሪ ክተሓባበር ሓቲቱ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ሓድሕድ ኲናት ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙ ገበናት ኲናትን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ክምርምር ብቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝተጣየሸ ዓለምለኻዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሙሉእ ምትሕብባር ክገብር ሕብረት ኣውሮጳ ሓቲቱ፡፡ እቲ ሕብረት፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ህዩማን ራይትስ ዎችን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ተፈጺሙ ብዛዕባ ዝበልዎ ገበን ምጽጻይ ዓሌት ዘውጽእዎ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ እዩ ነቲ ሕቶ ኣቕሪቡ፡፡ ሕብረት ኣውሮጳ በቲ እቶም ትካላት ብዛዕባ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝበጽሕ ዘሎ ጥሕሰት መሰላትን ግፍዕን ዘውጽእዎ ጸብጻብ ኣዝዩ ከም ዝሰምበደ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ፡፡ ግህሰት መሰላት ዝምርምር ዘይሻራዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ መረዳእታታት ብምርካብን ተሓታትነት ክህሉ ብምግባርን፡ ብቕልጡፍ ግዳያት ፍትሒ ክረኽቡ ከም ዘድሊ ሓቢሩ፡፡ እቲ ዓለምለኻዊ ኮምሽን ነቲ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ዘጠናኽር ከም ዝኾነ እውን እቲ ሕብረት ኣፍሊጡ፡፡ ‘‘እቶም ምርመራታት ብቕልጡፍ ክጅመሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስቲ ኮሚሽን ሙሉእ ብሙሉእ ክተሓባበር ሕብረት ኣውሮጳ ደጊሙ ጻውዒት የቕርብ’’ ኢሉ፡፡ መንግስቲ ኣመሪካ እውን ብተመሳሳሊ፡ ነቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈጸመ ግህሰታት ዝምልከት ብተሓለቕቲ መሰላት ዝወጽአ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተጣየሸ ዓለምለኻዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ክትሓባበር ሓቲቱ፡፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ ጸብጻብ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ጊዝያዊ ኣመሓደርቲ፣ ሰበስልጣን ክልል ኣምሓራን ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልልን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝፍጸሙ ገበናትን ምስ ገበናት ኲናት ዝምደቡ ገበናት ምጽጻይ ዓሌትን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ፈጺሞም ኢሎም፡፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ነቲ ጸብጻብ ተቐባልነት ዘይብሉ ክብል ዝነጸጎ ኮይኑ፡ ኣብ ሓቅነት እቶም ክልቲኦም ትካላት ነቲ ጉዳይ ንምምርማር ዝተጠቐሙሎም ፖለቲካዊ ጉዳያት ሕቶ ኣለኒ ኢሉ፡፡ ነቲ ግህሰታት ክምርምር ዝተጣየሸ ዓለምለኻዊ ትካል ዝስላዕ በጀት ኣመልኪቱ ዝካየድ ኣኼባ ምድንጓዩ ከም ዘሕዘኖ ዝገለጸ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ነቲ ንኢትዮጵያ ናብ ሰላምን ዕርቅን ክመርሕ ዝተጣየሸ ኮምሽን ኩለን ሃገራት ሓገዝ ክገብራ ኣብ መግለጺኡ ጸዊዑ፡፡ ኢትዮጵያ ነቲ ሕቡራት ሃገራት ዘጣየሾ ሓድሽ መርማሪ ኮምሽን በጀት ከይስላዕ ናብቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሓሳብ ኣቕሪባ ዝነበረት ኮይና፡ ኣብቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ብዝተዋህበ ድምጺ፡ ጠለብ ኢትዮጵያ ውዱቕ ከም ዝተገበረ ዝዝከር እዩ፡፡ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ እዩ ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዝምርምር ዘይሻራዊ ጉጅለ ንምጥያሽ ወሲኑ፡፡ ብጠለብ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ዝተሳለጠ ፍሉይ ኣኼባ እቲ ቤት ምኽሪ ድማ ብፕረዚደንት ሰብኣዊ ቤት ምኽሪ ዝሽየሙ ኣባላት ዝሓዘ ዓለምለኻዊ ኮሚሽን ንምጥያሽ ተወሲኑ፡፡ ነዚ ስዒቡ ዓቃቢት ሕጊ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ዝነበረት ፋቱ በንሱዳ ኣዶ መንበር እቲ ኮሚሽን ኮይና ተሸይማ፡፡ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝኹንን ሓቢሩ ኣሎ፡፡ ብተወሳኺ ኩሎም ጥሕሰታት መሰላት ብቕልጡፍ ደው ክብሉን ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ዝተማለአ፣ ድሕነቱ ዝተሓለወ፣ ቅልጡፍን ዘይተዓናቐፈን ሰብኣዊ ረድኤት ናብቶም ኣብ ጸገም ዘለዉ ዜጋታት ክኣቱ ከመቻችዉ ሓቲቱ፡፡ እቲ ኣብ ትግራይ ጀሚሩ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተጋፈሐ ኲናት ናይ ኣሻሓት ህይወት ዝበለዐ ኮይኑ፡ ሚልዮናት ብምፍንቓል ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ እዩ፡፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣስታት 10 ሚልዮን ሰባት ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘድልዮም ሕቡራት ሃገራት ዝገለጸ ኮይኑ ካብዚኦም እቶም ልዕሊ ፍርቂ ኣብ ትግራይ ከምዝርከቡ ይሕብር፡፡","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61057907"} {"headline":"ኲናት ዩክሬን፡ ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተወሳኺ እገዳታት ኣንቢረን","content":"እቲ ኣብ ልዕሊ ክልቲአን ደቂ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዝተነብረ ማዕቀብ፡ ምስ ሃብቲ ናይቲ ፕረዚደንት ዝተኣሳሰር ምዃኑ ሰበስልጣን ኣመሪካ ገሊጾም። ካልኦት ተወሰኽቲ ቁጠባዊ እገዳታት'ውን ኣብ ልዕሊ ዝዓበየ ናይ ብሕቲ ባንክ ሩስያ: ከምኡ'ውን ሰበስልጣንን ቤተሰቦምን ተወሲኑ'ሎ። ኣብታ ሃገር ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ ኣልፋ ባንክን፡ ዝዓበየ ፋይናንሳዊ ትካል ዝኾነ ስበርባንክን ግዳይ ናይቲ እገዳታት ኮይኖም ኣለዉ። ብዘይካ'ዚ፡ ኣገደስቲ ዝብሃሉ ብመንግስቲ ዝውነኑ ቁጠባዊ ትካላት'ውን ማዕቀብ ተነቢሩሎም ኣሎ። ሃብቲ ፕረዚደንት ፑቲን ብስም ኣባላት ስድራቤቱ ኣብ ትካላት ፋይናን ስኣመሪካ ዝተዓቀበ ክኸውን ከምዝኽእል ሰብመዚ ኣመሪካ ተዛሪቦም። ብሪጣንያ'ውን ብወገና፡ ሓያሎ ተወሰኽቲ እገዳታት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ኣዊጃ'ላ። ፕሬስ ሴክሬታሪ ዋይት ሃውስ ጄን ሳኪ፡ እቶም ሓደሽቲ ማዕቀባት ኣብ ልዕሊ ገንዘባዊ ትካላትን ብመንግስቲ ሩስያ ዝውነኑ ትካላትን ከምኡ'ውን ውሑዳት ሰብመዝን ፖለቲካዊ ተሳትፎን ዘለዎም ሰብሃብትን [ኦሊጋሪክስ] ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ገሊጻ ነይራ። እዚ ስጉምቲ \"ንወራር ፑቲን ብድሕሪት ኮይኖም ብገንዘብ ዝድግፍዎ ዘለዉ ኣካላት ተሓተትቲ ክገብር እዩ\" ኢላ። ብፍላይ ቡቻ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ዝተፈጸመ ግፍዒ ስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተወሳኺ እገዳታት ክንበር ዝቐርቡ ጻውዒታት ከም ዝወሰኹ'ውን ተዛሪባ። ከንቲባ ቡቻ ኣናቶሊ ፌዶሩክ ብውሕዱ 320 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ንቢቢሲ ገሊጹ ኣሎ። እቲ ኣብ ቡቻ ዝተረኽበ ጋህሲ [ናይ ሓባር መቓብር] ድማ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዓብዪ ቁጥዐ ፈጢሩ ኣሎ። ፕሬስ ሴክሬታሪ ሳኪ፡ ኣብቲ ትማሊ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ \"እቲ ናይ ሕዚ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ሩስያ ኢነቨስት ዝገበረትሎም ዝግበር ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ከቢድ ቁጠባውን ዓቕምን ሃስያ ከበጽሕ እዩ\" ኢላ። ዎል ስትሪት ጆርናል ድማ፡ እቲ ማዕቀብ ንኣዝዩ ገዚፍ ባንኪ ሩስያ ዝኾነ ስበር ባንክ ዘካተተ ክኸውን ከም ዝኽእል ጸብጺቡ ኣሎ። ካልኦት ሚድያታት ኣመሪካ'ውን፡ እቲ ሓድሽ ማዕቀባት ንደቂ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዘካተተ ክኸውን ከም ዝኽእል የቃልሑ ኣለዉ፤ እታ ወሃቢት ቃል ግን እዚ ብዝምልከት ርእይቶ ካብ መሃብ ተቖጢባ። እንተኾነ፡ እቶም እገዳታት ምስ ሕብረት ኣውሮጳን ኣባል ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተን ተዋዲዱ ከም ዝትግበር ኣፍሊጣ። \"ምስ ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተን ሕብረት ኤውሮጳን ብምትሕብባር ኣብ ቁጠባ፣ ፋይናንስን ቴክኖሎጅን ሬስያ ዋጋ ዘኽፍሉ ተወሳኺ እገዳታት ክህልው'ዮም\" ትብል። ትማሊ ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትካላት ቢዝነስ ሩስያ፣ ኣታውን ወጻእን ንግዲ እታ ሃገር እገዳታት ንምንባር ከም ዝሃቀነ ኣፍሊጡ ነይሩ። ብፍላይ ስምምዕ ኩለን ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ዝሓትት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ሰደድ እትገብሮ ፈሓም እገዳ ክግበር ዝጠልብ ሓሳብ እንተጸዲቑ፡ እቲ ሕብረት ንፈለማ እዋን ቀረብ ጸዓት ሩስያ ክኽልክል'ዩ። ኣውሮጳ፡ ዓመታዊ ኣስታት 3.3 ቢልዮን ዶላር ዋጋ ዝግመት ፈሓም ካብ ሩስያ ትገዝእ። ከም በዓል ጀርመን ዝኣመሰላ ሃገራት ንምንጪ ጸዓት ኣብ ሩስያ ጽግዕተኛታት እንትኾና፡ ከምዚ ዓይነታት ስጉምቲታት ክውሰድ ዘይከፍቕዳ ይኽእላ። እንተኾነ፡ ብፍላይ ኣብዚ ሰሙን ሓይልታት ሩስያ ገበናት ኲናት ፈጺሞም ተባሂሎም ድሕሪ ዝቐርበሎም ዘሎ ክሲ ግን ከምኡ ናይ ምግባር ዝንባለታት ከም ዘሎ ይግለጽ። ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል፡ ማክሮን ነቲ ጻውዒት ተቐቢልዎ ኣሎ። ከምኡ ውን ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ባንክታት ሩስያ ከምኡ'ውን ካብ ሩስያን ቤላሩስን ዝኣትውን 4.59 ሚሊዮን ዶላር ዝግመቱ ምህርታት ስሚንቶ፣ ዕንጸይቲ፣ ናይ ባሕሪ መግብን መሰተን እገዳ ክገብሩ'ዮም ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር። ፕረዚደንት ኮሚሽን ሕበረት ኣውሮጳ፡ ደባዊ ኣገልግሎት ንመርከባት ካልኦት ኣገልግሎት መጓዓዝያን ሩስያን መላፍንታ ባሉርስን ዕጽው ከም ዝኸውን ድሮ ኣጠንቂቓ ኣላ። ኡርሱላ ቮን ደር ለየን፡ ኣብ ልዕሊ እታ ጭካነ ዝተመልኦ ዋረር ተካይድ ኣላ ዝበለታ ሩስያ፡ እቲ ሕብረት ዘያዳግም ስጉምቲ እቲ ዝለዓለ ጸቕጥን ክፈጥረላ ጸዊዓ። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሉታዋኒያን ግና፡ ነቲ ሕብረት ኣውሮጳ ተሊሙዎ ዘሎ እገዳታት \"ካልእ ተወሳኺ ግፍዕታት ዝጽውዕ\" ክብል ነቒፉ። ትማሊ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት መደረ ዘስመዐ፡ ፕረዚደንት ዩክረይን፡ ቮሎድሚር ዘለንሰኪ ንሰብ ስልጣን ሩስያ 'ገበናት ኲናት ይፍጽሙ ኣለዉ፤ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ይግባእ\" ክብል ከሲሱ'ዩ። \"መላእ ስድራት ቀቲሎም፣ ዓበይቲን ህጻናትን ረሺኖም፤ ነፍሶም ከቃጽልዎ ፈቲኖም\" ኢሉ። ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ፡ ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ናይ 100 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ጸረ-ነፈርቲ መቃወምያ ሚሳኤል ክህቡ ቃል ኣትዮም ኣለዉ። ካብ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ፡ እዚ ሓገዝ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ንሻድሻይ ግዜ ዝግበር ዘሎ እዩ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61006528"} {"headline":"ሩስያ ናብ ምዕራባውያን ሃገራት ሰደድ እትገብሮም ምህርታት ኣጊዳ","content":"ሩስያ ነቲ ካብ ምዕራባውያን ዝተነብረላ ዓጸፋዊ ምላሽ፡ ካብ ሃገራ ናብተን ሃገራት ሰደድ ኣብ ልዕሊ ዝግበሩ ምህርታት እገዳ ኣንቢራ። እቲ እገዳ ክሳብ መወዳእታ ዓመተ ምህረት ኣውሮጳ 2022 ዝጸንሕ እዩ። እቲ ክልከላ፡ ከም ሰደዳት ቴሌኮም፣ መድሕኒት፣ ተሸከርከርቲ፣ ሕርሻዊ ምህርቲ ከምኡ’ውን ኤሌክትሪካዊ መሳርሕታት ይርከቦም። ሚኒስትር ቁጠባ እታ ሃገር፡ እቲ ስጉምቲ ናይ ካልእ ሃገራት መራኽብ ናብ ወዳበት ሩስያ ከይጽጋዓ ክሳብ ምኽልካል ክኸይድ ከምዝኽእል ኣንፊቱ ኣሎ። መግለጺ እቲ ሚኒስትሪ፡ “እቶም ዝተወስዱ ስጉምቲታት ነቲ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ርትዓዊ ምላሽ እዮም” ኢሉ። እቲ ኣብ ልዕሊ ሰደዳታት ሩስያ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ፡ ንልዕሊ 200 ምህርታት ከምዘካትት ዝተገልጸ ኾይኑ፡ ክሳብ መወዳእታ እዚ ዓመት ዝጸንሕ እዩ ተባሂሉ። ምዕራባውያን ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያን ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ቅርበት ኣለዎም ዝበልዎም ውሑዳት ቢልዮኖራት ሰብ ሃብትን፡ ተረርቲ እገዳታት ኣንቢሮም ኣለዉ። ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ነዳዲ ዝተገብረ እገዳ ዝጥቀስ እዩ። ንኣመሪካን ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳን ሓዊሱ፡ እቲ ሓድሽ እገዳ ን48 ሃገራት ከምዝትንክፍ ተፈሊጡ’ሎ። እቲ እገዳ ከም ደቡብ ኦስትያን ኣብኻዝያን ዝኣመሰላ ካብ ጆርጅያ ንዝተነጸላ ሃገራት ሃገራት ከምዘየካትት ድማ ተገሊጹ። ቀዳማይ ሚኒሰተር ሩስያ ሚካኤል ሚሹሰቲን ከምዝበሎ፡ እቲ እገዳ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ብዝርከቡ ኩባንያታት ወጻኢ ዝፈርዩ ምህርታት ከካትት ይኽእል እዩ። ፕረዚደንት ሩስያ ነበር ደሚትሪ ሜድቭዲቭ፡ ኣብ ሩስያ ዝርከባ ኣብዚ እዋን ግን ሰራሕ ጠጠው ዘበላ ኩባንያታት ንብረተን ክውረስ ከምዝኽእል ኣንፊቱ ኣሎ። ከም በዓል ስታርባክስ፣ ካተርፒላር፣ ሶኒ ዝኣመሰላ ናይ ዓለምና ዓበይቲ ኩባንያታት ካብተን ኣብታ ሃገር ስራሕ ጠጠው ኣቢለን ጠንጢነን ዝወጸኣ እየን። ትማሊ ረቡዕ፡ ሞስኮ፡ ናይቶም ምስ ወራር ኲናት ዩክረይን ተኣሳሲሩ፡ ሃገር ለቒቖም ዝወጽኡ ኩባንያታት ወጸኢ ንብረት ንምውራስ ዘኽእል ሕጊ ኣጽዲቓ ኣላ። እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ነቶም ስራሕ ጠጠው ኣቢሎም ዝወጽኡ “ተመሊሶም ናብ ዕደጋና ክኣትዉ ከኸብዶም እዩ” ድማ ኢሉ። ገለ እዋናዊ መረዳእታታት ከምዘመልክትዎ፡ ካብተን ምስ ሩስያ ጥቡቕ ቁጠባዊ ምትእስሳር ዘለወን ሃገራት ሓንቲ ዩናይትድ ኪንግዶም ኮይና፡ ኣብ ዓመት 15.9 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ናይ ንግዲ ልውውጥ ይገብራ። ተንተንቲ ቁጠባ፡ ዝበዝሑ ካብ ሩስያ ዝቐርቡ ሰደዳት ጥረ ኣቑሑት ምዃኖምን፡ እቲ ሕዚ ተነቢሩ ዘሎ ክንድዚ ዝኣክል ጽልዋ ከምጽእ ዘከምዘይኽእልን ይሕብሩ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60703780"} {"headline":"ኲናት ዩክሬን ከጋድዱ ዝኽእሉ ሰለስተ ተኽእሎታት","content":"ሚኒስትራት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ]፡ ንዩክሬን ብወተሃደራዊ ኣጽዋር ኣብ ምሕጋዝ ክሳብ ክንደይ ክኸዱ ከም ዘለዎም ንምዝታይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ብራስለስ ተራኺቦም ነይሮም። ኣብዚ ኲናት፡ ኔቶ ዝገጠሞ ፈተና ብቐጥታ ናብቲ ኲናት ከይተሳተፈን ምስ ሩስያ’ውን ናብ ረጽሚ ከይኣተወን፡ ፈታዊቱ ዩክሬን ዓርሳ ክትከላኸል እኹል ወተሃደራት ሓገዝ ብኸመይ ክህብ ይኽእል ዝብል’ዩ። መንግስቲ ዩክሬን ኣብዚ ጉዳይ ግልጺ መርገጺ ሒዙ ሓገዝ ክግበረሉ ክሓትት ጸኒሑ’ዩ። ሩስያ፡ ብምራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ክልል ዶንባስ ካብ ሩስያ ዝፍኖ መጥቃዕቲ ክትከላኸል ትደሊ። ነዚ፡ ሃገራት ምዕራብ ብህጹጽ ከም ጸረ ታንክን ጸረ ነፈርትን ዝበሉ ናይ ሚሳይል ስርዓታት ሓዊሱ ኣጽዋራትን ጠያይትን ንሮኬት ክሃርሙ ዝኽእሉ ኣብ እንግድዓ ዝጽወሩ ጸረ ታንኪ ኣጽዋራት [ጃቬሊንስ]፣ ብብዝሒ ኣፍጋኒስታን ኣንጻር ነፈርቲ ሶቭየት ዝተጠቐመትሎም ሰብ ዘንቀሳቕሶም ጸረ ነፈርቲ ኣጽዋርን [ስትሪንገርስ] ክወሃባ ትጠልብ። ክንድኡ ዝኣክል ይውሃባ’ዩ ዘሎ፤ ዩክሬን ግን ካብኡ ንላዕሊ ትደሊ። ዩክሬን፡ ታንክታት፣ ነፈርቲ ውግእ፣ ድሮናት፣ ዘመናዊ መከላኸሊ ሚሳይልን ካብ ሩስያ ዝወርዳ ዘሎ መጥቃዕቲ ኣየር ንምምካት ዝሕግዛ ከምኡ’ውን ነዊሕ ርሕቐት ዝጉዓዙ ሚሳይላት ትጠልብ። ብዙሓት ክኣ፡ ኔቶ ሓገዝ ከይገብር ዝዓግቶ ዘሎ እንታይ እዩ ክብሉ ይሓቱ። እቲ መልሲ፡ እቲ ኲናት ከይዓርግ ዝብል እዩ። ሩስያ ናይ ሓጺር ርሕቐት ኣጽዋራት ኒኩሌር ከይትጥቀም ወይ’ውን እቲ ኲናት ካብ ዶባት ዩክሬን ሓሊፉ ናብ መላእ ኤውሮጳ ከይልሕም እሞ ናይ ኤውሮጳ ኲናት ከይኸውን ዝብል ስግኣት መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ዓጊቱ ይሕዞም ኣሎ። ፕሬዝንት ቭላድሚር ፑቲን እቲ ኲናት ኣብ ዝተጀመረሉ ግዜ፡ ሩስያ እታ ዝዓበየት ወናኒት ሓይሊ ኣጽዋር ኒኩሌር ከም ዝኾነት ብምግላጽ ንርእሳ ንምክልኻል ክትጥቀመሉ ኣብ ተጠንቀቕ ክዳሎ ከም ዝገበረ ኣጠንቂቑ ነይሩ። “ሩስያ ዝበዝሐ ኣጽዋር ኒኩሌር ኣለዋ’ዩ፤ ስለዚ ኣይትድፍኡና” ኢሉ። ሓንጸጽቲ ስትራቴጂ ኔቶ ድማ፡ ሓንሳብ እቲ ኣብ ልዕሊ ኒኩሌር ዘሎ ነውርነት እንተተጥሒሱ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ምዕራብን ኣዝዩ ሓደገኛ ናይ ኒኩሌር ምልውዋጥ [ውግእ] ከይፍጠር ከም ዘስግኦም ይገልጹ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ዩክሬን ከበድቲ ግፍዕታት ፈጺሞም’ዮም ዝብል ክሲ ይቐርበሎም ኣሎ። እዚ’ውን ኮይኑ ግን ኔቶ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣይፈተነን፤ እታ T72 ታንክታት ዝልኣኸት ቼክ ሪፐብሊክ ፈላመይቲ ኣባል ሃገር ኔቶ እያ። ስሎቫኪያ እውን ኤስ300 ዝብሃል ናይ ኣየር መከላኸሊ ሚሳይል ትልእኽ ኣላ። እዞም ስጉምታት እቲ ኲናት እንትጅመር ሓደገኛታት ይመስሉ ነይሮም። ኣቦ መንበር ኮሚቴ ምክልኻል ባይቶ ኔቶ ቶቢያስ ኤልውድ ፑቲን ኣጽዋራት ኒኩሌር ዝምልከት ዝብሎ ዘሎ ጣቛ ዘይብሉ ስለ ዝኾነ ኔቶ ካብዚ ንላዕሊ ክገብር ኣለዎ ካብ ሞንጎ ዝብሉ’ዩ። “እቶም ክንህቦም እንኽእል ኣጽዋር ዝምልከት ልዑል ጥንቃቐ ክንገብር ጸኒሕና ኢና። ዝበለጸ ኣመለኻኽታ የድልየና እዩ፤ ክሳብ ሕጂ ዝገበርናዮ ሓገዝ፡ ዩክሬናውያን ንክከለኻሉ እምበር ንክስዕሩ ኣይኮነን፤ እዚ ክልወጥ ኣለዎ” ኢሉ። ስለዚ፡ ኲናት ሩስያ-ዩክሬን ንኔቶ ስሒቡ ከእቱ ናብ ዝኽእል ጎንጺ መላእ ኤውሮጳ ብኸመይ ክዓቢ ይኽእል? ነዚ ኣመልኪቱ ብዙሓት ግምታት ኣለው፤ እቶም ሰለስተ ግን ዋላ ሓደ ካብዞም ግምታት ግሃድ ዝኸውን ግን ዘይክህሉ ይኽእል እዩ። ይኹን’ምበር ሃገራት ምዕራብ ንወራር ሩስያ ዝሃብኦ ምላሽ ሓድነት እኳ እንተኣርኣየ ከመይ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ግን ሓሲበን ዝህብኦ ዘለዋ ኣይኮነን ዝብል ነቐፌታ ይቐርበለን። ሓደ ሽሙ ክጥቀስ ዘየፍቀደ ሙኩር ላዕለዋይ ክኢላ ሰራዊት ብሪጣኒያ “እቲ ዓብዪ ስትራቴጂካዊ ሕቶ፡ መንግስትና ቅልውላው ኣብ ምምሕዳር ድዩ ዋላስ ጭቡጥ ስትራቴጂ’ዩ ዘሎ ዝብል እዩ። እዚ ክሳብ መወዳእታ ክሕሰበሉ ዝግባእ ጉዳይ’ዩ” ኢሉ። “ሕጂ ዩክሬን ንምሕጋዝ ዝኽኣልናዮ ኢና ንፍትን ዘለና፤ እቲ ጸገም ግን ፑቲን ካባና ንላዕሊ እዩ ዝጻወት” ኢሉ። ቶቢያስ በዚ ይሰማማዕ። “ሩስያ እቲ ስግኣት ቐልጢፉ ክዓርግ ገይራ እያ። ንሕና ክኣ ፈሪሕና፤ እቲ ነገራት ዘጋድድ ዘሎ መሰላል ክንቆጻጸሮ ኣይክኣልናን” ይብል።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61058601"} {"headline":"ቅልውላው ዩክረይን፡ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ዩክረይን ክዋጋእ ዝመጽአ ካናዳዊ ኮሜዲያን","content":"ቅድሚ ሰሙናት፡ ኣንቶኒ ዎከር ተመሃሪ ዩኒቨርሲቲን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለውዎ ኮሜዲያንን እዩ ነይሩ። ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብዘይዕረፍቲ ንደገፍቲ ትራምፕ ብምድኻም ኣብ ቀረባ ድማ ኣብ ሃገሩ ካናዳ ኣንጻር ክታበት ኮሮናቫይረስን መምርሒታቱን ተቓውሞ ዝገበሩ መራሕቲ መካይን ብምቕዋም ይፍለጥ። ሕጂ እዚ ካናዳዊ ኣብ ዶብ ፖላንድ- ዩክሬይን እዩ ዝርከብ። ንሱ ሓደ ካብቶም ንጻውዒት ዩክሬይን ተቐቢሎም ብሰናይ ተበግሶ ናብታ ሃገር ዝኸዱ ዘለው ወጻእተኛታት እዩ። ቢቢሲ ኣብ ደቡብ-ምብራቕ ፖላንድ ጥቓ ዶብ ዩክሬይን ኮይኑ እዩ ኣዘራሪቡዎ። ወዲ 29 ዓመት ዎከር ኣብ ካናዳ ቶሮንቶ ዝነበሮ ህይወትን ሰለስተ ደቁን ገዲፉ ክመጽእ ዝገበሮ ምኽንያት እቲ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ብቴሌቪዥን ዝርእዮ ዝነበረ ናይ ኲናት ምዕባለታት ከም ዝኾነ ገሊጹ። \"ምስ በዓልቲ ቤተይ ኮይንና ብዛዕባ ዩክሬይን ዝወጽኡ ዝነበሩ ዜናታት፣ ስእልታትን ቪድዮታትን ንርኢ ነይርና። ዋላ ሓደ ጽቡቕ ኣይነበረን። እዚ ኣብ ካናዳ እንተዝኸውን ነይሩ ዝሕግዘና ሓደ ሰብ ክንደሊ ነይርና ኢና ኢለ ንነብሰይ ነጊረያ\" ይብል። ንሱ፡ ርግኣት ኣብ ዘለዋ ሃገር ምውላዱ \"ዕድለኛ\" ከም ዝኾነን ኣብ ዓዱ ኲናት ርእዩ ከም ዘይፈልጥን ይገልጽ። \"ከምኡ ክንጥቃዕ ኣይንኽእልን። ምስ ዩክሬይን ዝኾነ ርክብ የብለይን። ዩክሬናዊ ኣይኮንኩን ግን ሰብ'የ፤ እዚ ኽኣ ናብዚ ንምምጻእ እኹል ምኽንያት እዩ\" ኢሉ። ዎከር፡ ወተሃደራዊ ስልጠና ወሲዱ ኣይፈልጥን። ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ናብ ሰራዊት ካናዳ ክጽንበር ድልየት እኳ እንተነበሮ፡ ብምኽንያት ደም ካብ ዘይምርጋእ ዝመጽእ ጸገም [haemophilia] ከም ዝነበሮ ብሕክምናዊ መርመራ ምስ ተረጋገጸ ናብ ሰራዊት ክጽንባር ብቑዕ ከም ዘይኾነ ተነጊሩዎ። ንዝሓለፈ ዓመታት ድማ ፈለኛሞን መራሒ መኪናን ኮይኑ ክሰርሕ ጸኒሑ። ብተወሳኺ ሰርቴፊኬት ዘለዎ ክኢላ ሕክምና እዩ፤ በዚ ኣብ ዩክሬይን ከገልግል ተስፋ ይገብር። ኣብ ቀረባ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካናዳ ድሕነት ሳይበርን ምስርሳር ኢንተርነትን የጽንዕ ነይሩ። ንሕጂ ዎከር ክሳብ ካልኦት ወተሃደራት ካናዳ ዝነበሩን ካብ ብሪጣኒያ፣ ደቡብ ኮርያን ኣመሪካን ዝመጽኡ ወለንታውያን ወጻእተኛታትን ዝመጽኡ ንሒደት መዓልታት ኣብ ዶብ ፖላንድ ክጸንሕ'ዩ። ብሰኑይ ብመኪና ናብ ሰራዊት ዩክሬይን ቀረባት ብምብጻሕ ይሕግዝ ነይሩ። ቅድሚ ናብ ግንባር ምኻዱ ድማ ኣብ ምብራቕ ዩክሬይን ናብ እትርከብ ከተማ ልቪቭ ክኸይድ መደብ ገይሩ። እቲ ኣብ ሞንጎ ፖላንድን ዩክሬይንን ዘሎ ዶብ ድማ ሕጂ ብብዝሒ ካብታ ሃገር ክወጽኡ ዝደልዩ ስደተኛታት ተዕለቕሊቑ ምህላው ተዛሪቡ። \"ገሊኦም ዶብ ክሰግሩ ንመዓልታት ዝተጸበዩ'ዮም። ጠምዩዎም፣ ቖሪሮም ኣለው። ጽቡቕ ኩነታት ኣይኮነን ዘለው\" ኢሉ። ናብ ዩክሬይን ክኸይድ ምዃኑ ካብ ዝገልጽ ንድሓር ካልኦት'ውን ኣሰሩ ከም ዝስዕቡ ዝገልጹ መልእኽታት ከም ዝልኣኹሉ ይዛረብ። እዚ ከም ብዋዛ ዝጀመረ መልእኽቲ ድማ ብፍላይ ድሕሪ እቲ ፕሬዝደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ወለንታውያን ወጻእተኛታትን ካልኦት ላዕለዎት ሰብ መዚ እታ ሃገርን ዘቕረቡዎ ጻውዒት ወሲኹ'ዩ። እዚ ኣብ ከም ረዲትን ዲስኮርድን ዝበሉ ማሕበራዊ ሚዲያታት ካብ መላእ ዓለም ኣሽሓት መልእኽታት ውሒዞም እዮም። ክሳብ ሕጂ ክንደይ ዝኣኽሉ ወለንታውያን ናብ ዩክሬይን ከይዶም ዝብል'ኳ ብወግዒ እንተዘይተፈልጠ፡ ኣምባሳደር ዩክሬይን ኣብ ብሪጣኒያ ቫዲም ፕሪስታኮ \"ብርክት\" ዝበለ ቁጽሪ ዘለዎም ወጻእተኛታት ናብ ዩክሬይን \"ንክጽንበሩ ክፍቀደሎም ይጠልቡ ኣለው\" ኢሉ። ዩክሬይን ወለንተኛታት ንዝኾኑ ከም እተዕጥቕ እኳ እንተገለጸት ብኸመይ መልክዑ'ያ ክተሳትፎም፣ ስልጠና ክትህቦምን ክተውፍሮምን ዝብል ኣይፍለጥን። ብሰንበት ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ካናዳ ሚላኒ ጆሊ ብቐንዱ ዘርኢ ዩክሬይን ንዘለዎም ትኹረት ገይራ'ኳ ትዛረብ እንተነበረት ካናዳውያን ወለንተኛታት ኮይኖም ንክኸዱን ንክዋግኡን ናይ ምውሳን ውልቃዊ ምርጭኦም እዩ ምባላ ጋዜጣታት ግሎብን ሜይልን ጸብጺበን። ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጸኢ ብሪጣኒያ ሊዝ ትሩስ ብወገና ብሪጣናውያን \"ናይ ባዕሎም ውሳነ ክውስኑ ይኽእሉ'ዮም\" ኢላ። ዎከር ነዞም ተበግሶታት ዝድግፍ ኮይኑ፡ መብዛሕትኦም ወለንታውያን መናእሰይን ሓሓሊፉ ብዛዕባ ኲናት ሕልማዊ ሓሳብ ዘለዎምን ብኣደናቒ መገዲ ዝርእዩዎን ኣብ ውግእ ንምስታፍ ህንጡውነት ዘለዎምን እዮም ዝብል እምነት ኣለው። ገዳይም ወተሃደራት ድማ ስልጠና ዘይወሰዱን ብዝግባእ ዘይተዳለውን ወለንታውያን ካብ ሓገዝ ንላዕሊ ሸክሚ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ የጠንቅቑ ኣለው። ዎከር ብዛዕባ ኲናት ዝተሰርሐ ፍሉጥ ጸወታ [ጌም] ብምልዓል \"እዚ ልክዕ ከም 'ናይ ግዴታ ጻውዒት' ርኢኹም ትመጽኡ እንተሃሊኹም ከይትሓስቡዎ። እዚ ናይ ጌም ቪድዮ ኣይኮነን፤ ዝቐትል ቦንባን ጠያይትን ዘለዎ'ዩ\" ኢሉ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60564041"} {"headline":"ኤርትራዊ ስዊዛዊ ኦሎምፒካዊ ኣትሌት ታደሰ ኣብርሃም ኣብ ማራቶን ዙሪክ ቀዳማይ ወጺኡ","content":"ኤርትራዊ ስዊዛዊ ኦሎምፒካዊ ኣትሌት ታደሰ ኣብርሃም ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ዙሪክ ናይቲ ውድድርን ናይ ውልቁን ግዜ ብምምሕያሽ ቀዳማይ ወጺኡ። ኣትሌት ታደሰ ኣብርሃም ነቲ ውድድር 2 ሰዓት 6 ደቂቕን 38 ካልኢትን ብምዝዛም'ዩ ዝበለጸ ግዜ ኣመዝጊቡ። ታደሰ ኣብርሃም 20 መጋቢት 2016 ኣብ ደቡብ ኮርያ ማራቶን ሶል ዘመዝገቦ ግዜ እቲ ዝበለጸ ግዚኡ ኮይኑ እዩ ተመዝጊቡ ጸኒሑ። ታደሰ ንማራቶን ሶል 2 ሰዓት፡ 6 ደቂቕን 40 ካልኢትን እዩ ዛዚምዎ ነይሩ። ኣብ ማራቶን ዙሪክ ንታደሰ ተኸቲሉ ብሩንዳዊ ኦሊቨር ኢራባሩታ ብ2 ሰዓት 7 ደቒቕን ብምዝዛም ካልኣይ ክኸውን እንከሎ ኬንያዊ ፈራንሲስ ንዚዊንኩንዳ ሳልሳይ ወጺኡ። ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፈ ኢትዮጵያዊ ነዳ ጉራራ ሓሙሻይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ። ኣትሌት ታደሰ ኣብርሃም ኣብ 2009 ከምኡ'ውን ኣብ 2013 ዕዉት ማራቶን ዙሪክ ኮይኑ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ ኣብ 2009 ንውድድሩ ብ 2 ሰዓት፡ 10 ደቂቕን 9 ካልኢትን ኣብ 2013 ኸኣ ብ 2 ሰዓት፡ 7 ደቒቕን 45 ካልኢት'ዩ ዛዚምዎ ነይሩ። ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኸኣ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ደምቱ ሃዋስ ቀዳማይቲ ብምውጻእ ዕውትቲ እቲ ውድድር ኮይና። ማራቶን ዙሪክ ዓመታዊ ዝካየድ ውድድር ኮይኑ ሎሚ ዓመት ንመበል 19 ግዚኡ እዩ ተኻየዱ። ነቲ ውድድር ዓመታዊ ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት እዮም ዝሳተፍዎ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/61064195"} {"headline":"ኣብ ልዕሊ ሃገራትን ውልቀሰባትን ዝንበሩ እገዳታት ውጽኢታውያን ድዮም?","content":"ንሓንቲ ሃገር ካብ ምጥሓስ ኣህጉራዊ ሕጋጋትን ተጻባኢ ካብ ዝኾነ ኣካይዳ ደው ንምባልን ሃገራት ንእገዳ ከም መሳርሒ ዲፕሎማሲ ከጥቀማሉ ጸኒሐን ኣለዋ። እዚ ውጽኢታዊ ድዩ? ‘ቢቢሲ ረያሊቲ ቼክ’ ኣርባዕተ ኣብነታት እገዳታትን ሳዕቤናቶምን ዳህሲሱ ኣሎ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60995304"} {"headline":"ኵናት ዩክረይን፡ ፕረዝደንት ዘለንስኪ ብቕልጡፍ ዝርርብ ክጅመር ከምዝደሊ ኣፍሊጡ","content":"ፕረዝደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ምስ ሩስያ ከይደንጎየ 'ፍረ ዘለዎ ዝርርብ' ክጅመር ከምዝደሊ ኣፍሊጡ። እቲ ፕረዝደንት፡ ኣብቲ ብቪድዮ ዝተቐርጸ ንህዝቡ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ንሃገሩን ምስ ዝወረረት ሩስያ፡ 'ጉዳይ ሰላምን ድሕነትን' ኣመልኪቱ፡ ብቕልጡፍ ውጽኢት ዘለዎ ልዝብ ክጅመር እዩ ዝጠልብ ዘሎ። እዚ ድማ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ፡ ዩክረይን፡ ብዝኸፈተቶ ኲናት ክበጽሓ ካብ ዝኽእል ዕንወት ንምድሓን፡ ብሕታዊ ኣማራጺ ከምዝኾነ እዩ እቲ ፕረዝደንት ዝገልጽ። \"ንምርኻብን ከምኡ'ውን ልኡላዊ ግዝኣት ዩክረይን ናብ ቦትኡ ንምምላስን፡ ሓድነትን ፍትሕን ንምስፋንን ዝርርብ ክጅመር ዘለዎ ሕዚ ከይደንጎየ እዩ\" ክብል ናብ መንግስቲ ሩስያ ጻወዒት ኣቕሪቡ። \"እዚ እንተዘይኮይኑ ግና፡ ሩስያ ክስዕባ ካብ ዝኽእል ውድቀት ንምውጻእ፡ ብዙሓት ወለዶታት ክሓታ እዩ\" ክብል ኣጠንቂቑ። ፕረዝደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ምስ ፕረዝደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይፕ ኤርዶዋን፡ ብስልኪ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፡ ሃገሩ እትጠልቦም፡ ቅድመ ኩነታት፡ ኣስፊሩ እዩ። ኣብቲ 30 ደቒቓ ጥራሕ ዝወሰደ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፡ ሩስያ ዘቕረበቶም ጠለባት ኣብ ክልተ ከምዝኽፈሉ ቀንዲ ኣማኻርን ወሃቢ ቃልን ፕረዚደንት ቱርኪ ኢብራሂም ካሊን ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡ ካብዚኦም እቲ ቀንዲ ዩክረይን መንጎኛ ክትከውን፡ ኣባል ኔቶ ከይትኸውንን ዝጠልብ እዩ፡፡ ነዚ ጠለብ ድሮ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ዝተቐበሎ ይመስል። ኣብቲ ቅድመ ኩነት፡ ዩክረይን ንሩስያ ስግኣት ዘይምዃና ንምርግጋጽ ዕጥቃ ክትፈትሕ ኣለዋ፡፡ ቋንቋ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ውሕስና ክረክብ ትጠልብ፤ ‘ዲናዚፊኬሽን’ (ካብ ናዚ ነጻ ምዃን) ዝብልዎ እውን ይርከቦ፡፡ ኣብ ጎረቤት ሃገርን ኣብ ቱርክን፡ ብተደጋጋሚ ላዕለዎት ሰበስልጣን ክልቲአን ሃገራት ተራኺቦም፡ እቲ ጸገም ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዝተገብሩ ፈተነታት ዛጊድ ፍረ ኣየፍረዩን። ልዕሊ ሰለስተ ሰሙን ዘቑጸረ፡ ወተሃደራዊ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን፡ ሰፊሕ ሰብኣዊ ቅልውላውን ከምዘስዐበ ጸብጻባት ይሕብሩ። እቲ ኲናት ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ዩክረይን ከቢድ ዕንወት ዘስዐበ ኾይኑ፡ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ዩክሬናውያን ሃገሮም ራሕሪሖም ናብ ኣውሮጳ ክስደዱ ተገዲዶም ኣለዉ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60805222"} {"headline":"ሩስያ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ሓድሽ መጥቃዕቲ ከፊታ - ቮሎድሚር ዘለንስኪ","content":"ሩስያ ምብራቓዊ ዞባ ዶምባስ ንምቁጽጻር መጥቃዕቲ ከምዝኸፈተት መራሒ ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ገሊጹ፡፡ ሞስኮ ትማሊ ሰኑይ ከተማታት ብሮኬትን ከበድቲ ኣጽዋርን ዝደብደበት ኮይና ዘለንስኪ ብቪድዮ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ‘‘ዶንባስ ንምሓዝ ዝግበር ኲናት’’ ተጀሚሩ ኢሉ፡፡ ላዕለዋይ በዓል መዚ ድሕነት ዩክረይን ኦለክሲ ዳኒሎቭ እውን ሩስያ ኣብቲ ግንባር ዘሎ ምክልኻል ሰራዊት ዩክረይን ሰይራ ንምእታው ከምዝፈተነት ገሊጹ፡፡ ሩስያ ንርእሰ ከተማ ዩክረይን ኪቭ ንምቁጽጻር ዝገበረቶ ፈተነ ከይሰመረ ምስተረፈ ገጻ ናብ ምብራቕ ዩክረይን ከም እትገብር ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ እዩ፡፡ ኣብ ፈለማ ድልየት ሞስኮ ንዓበይቲ ከተማታት ዩክረይን ተቖጻጺራ ነቲ መንግስቲ ምዕላው እዩ ነይሩ፡፡ ከቢድ ምክልኻል ምስ ኣጋጠማ ግና ወታሃደራዊ ሰብመዚ ሩስያ ቀዳማይ ዙር ወፍሪ ኣዐዊቶም ሓይልታቶም ካብታ ከተማ ከምዝሰሓቡ ገሊጾም፡፡ ቀጺሎም ዕላማ ናይቲ ወራር ኣብ ዶንባስ ንዝርከቡ ተዛረብቲ ቋንቋ ሩስያ ‘‘ሓራ’’ ናብ ምውጻእ ከምዘዘርዎ ኣፍሊጦም፡፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዕላማ እቲ ወራር ዕጥቂ ዩክረይን ንምፍታሕን ካብ 'ናዝነት' ነጻ ንምግባርን ከምዝኾነ ኣብ ፈላሞት ቅንያት እቲ ወራር ገሊጹ ነይሩ፡፡ እንተኾነ ዩክረይንን ደገፍታን ነቲ ዘይምኽንያታዊ ወራር ንምሽፋን ዝቐረበ ምኽንያት ከምዝኾነ እየን ዝሕብራ፡፡ ትማሊ ሰኑይ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ንዝርከባ ከተማታት ማእለያ ብዘይብሉ ሮኬታትን ከበድቲ ኣጽዋርን ክደብድቡወን ዝወዓሉ ኮይኖም ሸሞንተ ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ፡፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ሉሃነስክ ነቲ ኩነታት ‘‘ሲኦል’’ ክብል ክገልጾ ከሎ፡ ኣብ ገለ ከተማታት ቀጻሊ ኲናት ይካየድ ከምዘሎ ጸብጻባት የመልክቱ፡፡ ኣመሓዳሪ ካልኣይቲ ዓባይ ከተማ ካርኪቭ እውን ከቢድ ኲናት ክካየደሎም ይኽእል እዩ ካብ ዝበሃሉ ከባቢታት ሰላማውያን ሰባት የግዕዙ ከምዘለዉ ገሊጹ ኣሎ፡፡ ሰብመዚ ምክልኻል ሩስያ ብወገኖም ሰንበት ምሸት ንኣማኢት ወታሃደራዊ ዒላማታትን ወሃብቲ ኣገልግሎታትን ዩክረይን ከምዝወቕዑ ገሊጾም፡፡ ብሰኑይ ምሸት ብቪድዮ መልእክቲ ዘሕለፈ ፕረዚደንት ዩክረይን፡ ንሱን ሓይልታቱን ‘‘ንባዕልና ክንከላኸል ኢና’’ ዝበለ ኮይኑ ናይ ዩክረይን ዝኾነ ነገር ኣሕሊፎም ከምዘይህቡ ገሊጹ፡፡ ሞስኮ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰራዊታ ን 93 ምኢታዊት ግዝኣት ሉሃንስክን 54 ምኢታዊት ዶንተስክን ከምዝተቖጻጸሩ ዝገለጸት ኮይና ነቶም ኣብቲ ግዝኣት ዝተረፉ ወታሃደራት ዩክረይን ክኸቡዎም ከምዝኽእሉ ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ፡፡ ኮይኑ ግና ካብ ሰራዊት ዩክረይን ከቢድ ምክልኻል ኣጋጢምዎም ጸኒሑ፡፡ ዩክረይን ኣብ ግዝኣት ዶንባስ ካብ 40 ክሳብ 50 ሽሕ ሰራዊት ከምዘለዋ ዝግመት ኮይኑ እቶም ወታሃደራት ንነዊሕ ዓመታት ኣንጻር ብሩስያ ዝሕገዙ ዕጡቓት ክዋግኡ ዝጸንሑን ምኩራትን ከምዝኾኑ ይግለጽ፡፡","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61148487"} {"headline":"ብምሒር ጭንቀት ስማን ኣድራሻኣን ኣብ ሑቐ ጓላ ዝጸሓፈት ኣዶ","content":"ሳሻ ማኮቪ ኣብ ሑቐ ንኡሽቶ ጓላ ሽማ (ቬራ)፣ ዕድሚኣን ዝተወሰኑ ቁጽሪ ስልኪታትን ጽሒፋትላ፤ ምኽንያታ ድማ ካብ ኪቭ ኣብ ዝሃድሙሉ እንተተጣፊኦም ወይ እንተሞይቶም መን ምዃና ክትፍለጥ ብዝብል እዩ፡፡ ንሳ ‘‘ንሕና እንተሞይትና ሰባት ክረኽቡዋን መን ምዃና ክፈልጡዋን ይኽእሉ እዮም’’ ክትብል ነቲ ኣብ ሓያል ተስፋ ምቑራጽ ኮይና ካብ ኲናት ዩክረይን እንትትሃድም ዝገበረቶ ንቢቢሲ ተዛሪባ፡፡ እዞም ስድራ ኣብዚ እዋን ‘‘ብፍቕርን ክንክንን ከምዝተኸበቡ’’ ኣብ ዝስምዖም ፈረንሳ እዮም ዝርከቡ፡፡ ናብታ ሃገር ምስኣተዉ፡ ወ\/ሮ ሳሻ ነቲ ኣብ ሑቐ ጓላ ዝጸሓፈቶ ጽሑፍ ስኢላ ኣብ ኢንስታግራም ለጢፋቶ፤ ብዙሕ ሰብ ድማ ተኻፊሉዎ፡፡ ‘‘ኣብ መጀመርታ መዓልቲ እቲ ኲናት እዩ ነይሩ፤ ካብ ኪቭ ንምህዳም ኩሉ ነገር ነዳሉ ኔርና፤ ውሑስ ምዃኑ ግን ርግጸኛታት ኣይነበርናን’’ ብምባል ትዝክር፡፡ ኣቑሑቶም እናጠርነፉ ከበድቲ ብረታት ይትኮሱ ነይሮም፤ እንታይ ይፍጠር ከምዘሎ እውን እኹል ሓበሬታ ኣይነበረን፡፡ ‘‘ናተይ ከቢድ ሻቕሎት ዝነበረ ቬራ ከይትጠፍእ ወይ እንተሞይትና መን ምዃናን ስድራቤታ በዓል መን ምዃኖምን ከይፈለጠት ከይትተርፍ እዩ ነይሩ’’ ትብል ወ\/ሮ ሳሻ፡፡ ጓላ ብዘይ ቤተሰብ ከይትተርፍ ዝፈረሐት እታ ኣዶ፡ ሓደ መዓልቲ ናይ ኣዲኣ ሶሻል ሚድያ ኣካውንት ክትረክብ ከምእትኽእል ግን ተስፋ ትገብር ነይራ፡፡ ‘‘ካብ ኢንተርነት ገለ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል እያ ኢለ ሓሲበ፤ ምናልባት ናይ ኢንታግራም ኣካውነተይ ክትረኽቦ ትኽእል፡፡ ስድራ ቤታ እውን ክትርእይ ትኽእል’’ ኢላ፡፡ ንሃገራት ሞልዶቫ፣ ሮማንያን ቤልጂየም ኣቆራሪጻ ፈረንሳ ዝበጸሐት ወ\/ሮ ሳሻ ኣእምሮኣ ግን ከምዝተጎደአ ትሕብር፡፡ እቲ ኲናት ኣዝዩ ሕልና ዝርብሽ ከምዝነበረን ናብ ደገ እንተወጺኻ ዝወደቐ እምኒ ፈንጂ መሲሉካ ክትስምብድ ከምእትኽእልን ተዘንቱ፡፡ ‘‘ቬራ ጽቤቕ ኣላ፡፡ ነቲ ዘሎ ኩነታት ንምርዳእ ኣዝያ ንኡሽቶ እያ፡፡ ብዛዕባይ ዝኾነ ስምዒት ክህልዋ ይኽእል ግን ነዚታት ንምርዳእ ንእሽቶ እያ፤ ኣብዚ ዕድመ እዚ ምዃና እውን ሕጉስቲ እየ’’ ኢላ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61077620"} {"headline":"ናብ ሩስያ ዝተመዛበሉ ነበርቲ ምብራቕ ዩክረይን ዘጋጠመና ‘ኣይ ከም ትጽቢትናን’ ይብሉ","content":"ብሰንኪ እቲ ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ዝምዕብል ዘሎ ወጥሪ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ እቲ ከባቢ ናብ ሩስያ ይጉዕዙ ኣለዉ። እንተኾነ ግን ኣብ ሩስያ ምስኣተኹም ክትረኽብዎ ኢኹም ተባሂሉ ዝተነገሮም መጽብዓ ተግባራዊ ከምዘይኮነ ገሊጾም።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60535688"} {"headline":"ጎንጺ ዩክሬይን፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወተሃደራዊ ስርሒት ኣዊጃ","content":"ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ሃገሩ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ክልል ዶንባስ \"ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት\" ከም ዝጀመረት ኣፍሊጡ፡፡ ንሱ ብቴሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቶም ኣንጻር ብሩስያ ዝሕገዙ ዕጡቓት ዝዋግኡ ዘለዉ ወተሃደራት ዩክረይን ዕጥቆም ፈቲሖም ንገዝኦም ክምለሱ ተማሕጺኑ፡፡ ሩስያ ንዩክረይን ንምሓዝ ድልየት ከም ዘይብላ ዝገለጸ እቲ መራሒ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝኾነ መጥቃዕቲ እንተተፈጺሙ ግን ‘‘ቅልጡፍ’’ ምላሽ ከም ዝህብ ተዛሪቡ፡፡ ዩክረይንን ምዕራባውያን መሓዙታን ሩስያ ንወራር አዐርያ ተቐሪባ ከም ዘላ ኣቐዲሞም ገሊጾም ነይሮም፡፡ ብኻልእ ዜና ኣብ ብዙሓት ከተማታት ዩክረይን ድምጺ ነታጒ፡ ኣብ ጥቓ ኣብ ርእሰ ከተማ ከይቭ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሪስፒል ድማ ድምጺ ተኹሲ ጠያይቲ ከም ዝተሰመዐ ዝገልጹ ጸብጻባት ይወጽኡ ኣለዉ፡፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ብረቡዕ አብ ዝሃቦ መግለጺ ነቲ ‘‘ዘይምኽንያታዊ ’’ ዝበሎ ወራር ሃገሩን መሻርኽታን ብሓባር ግብረ መልሲ ከም ዝህባሉ ኣፍሊጡ፡፡ \"ፕረዚደንት ፑቲን ነቲ ኣቐዲሙ ዝሃቀኖ ኣብ ደቂ ሰባት ከቢድ ዕንወት ህይወትን ስቓይን ዘስዕብ ኲናት መሪጹ ኣሎ\" ኢሉ፡፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ስርሒት ከም ዝጀመረት ቅድሚ ምግላጻ፡ ፕረዚደንት ዩክረይን ዘለንስኪ ሩስያ ‘‘ኣብ ኣውሮጳ ዓብዪ ኲናት’’ ክትጅምር ከምእትኽእል ብምሕባር፡ ሩስያውያን ነቲ ስጉምቲ ክቃወሙ ጸዊዑ ነይሩ፡፡ ሩስያ ኣብ ዶባት ዩክረይን ኣስታት 200 ሽሕ ወተሃደራትን ዱሩዓት መካይንን ኣስፊራ ከም ዘላ እውን ዘለንስኪ ኣፍሊጡ፡፡ ሩስያ ንተነጸልቲ ክልላት ‘ፒፕልስ ሪፐብሊክ ኦፍ ዶነስክ’ ን ሉሃንስክን ከም ሃገር ኣፍልጦ ምስ ሃበተን ድሕሪ መዓልቲታት እያ ነቲ ስርሒት ጀሚራ ዘላ፡፡ ድሕሪ እዚ እተን ዶንባስ ተባሂሉ ንዝጽዋዕ ገዚፍ ግዝኣት ዩክረይን ዝተቖጻጸራ ተነጸልቲ ክልላት ካብ ሩስያ ወተሃደራዊ ሓገዝ ሓቲተን፡፡ ሩስያ ንዩክረይን ክትወርር ከምዝትኽእል ዝነበሩ ሰግኣታታት ካብ እዋን ናብ እዋን እናዓበዩ ዝመጹ ኮይኖም፡ ዩክረይን ትማሊ ረቡዕ ህጹጽ እዋን ኣዊጃ ኣላ፡፡","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60503710"} {"headline":"ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን እገዳ ኣንቢሮም","content":"ሃገራት ምዕራብ ሩስያ ናብ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ምኽንያት ብምግባር ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲንን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰርጌ ላቭሮቭን እገዳታት ኣንቢሮም። በዚ መሰረት ኣብ ኣሜሪካ፣ ኣውሮጳዊ ሕብረት፣ ብሪጣንያን ካናዳ ዘሎ ናይ ክልቲኦም ላዕለዎት መራሕቲ ሃብቲ ከይንቀሳቐስ ክእገድ እንከሎ፤ ኣሜሪካ ናይ መገሻ እገዳ ኣንቢራ ኣላ። ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ከምዚ ዓይነት እገዳ ምንባር ብዙሕ ልሙድ ኣይኮነን። ኣውሮጳዊ ሕብረት ቅድሚ ሕጂ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ዝወሰደ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ሶርያን ቤላሰስን ጥራሕ እዩ። ኣሜሪካ ብወገና ተመሳሳሊ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ መራሒ ቬንዝወላ ኒኮላስ ማዱሮን ፕረዚደንት ሶርያ በሸር ኣልኣሳድን እዩ። ፕረዚደንት ፑቲንን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰርጌ ላቭሮቭን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ምዕራብ ዘለዎም ንብረት እንታይ ከምዝኾነን እቲ እገዳ ዝፈጥሮ ጽልዋን ንጹር ኣይኮነን። ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝተፈጸመ ወራር ንምውጋዝ ንዘቕረቦ እማመ ሩስያ ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር መሰላ ተጠቂማ ነጺጋቶ ኣላ። ነቲ ወራር ንምውጋዝ ንዝቐረበ እማመ ሩስያ ውድቂ ክትገብሮ እንከላ ካብተን 15 ኣባላታ ባይቶ ጸጥታ እተን 11 ክድግፍኦ እንከለዋ፤ ህንዲ፡ ቻይናን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ድምጸን ካብ ምሃብ ተቖጢበን። ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ “ሩስያ ንሓይላ ብዘይኣገባብ ተጠቂማ ነቲ ሓያል ቃልና ውድቂ ጌራ ኣላ፤ ንቃላትና ግና ውድቂ ክትገብር ኣይትኽእልን’ያ። “ኣብዚ ጉዳይ ፕረዚደንት ፑቲን ወራሪ እዩ፤ ማእከላይ መርገጺ ዝበሃል የሎን” ኢላ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60536965"} {"headline":"ኲናት ዩክረይን፡ ቀንዲ ምዕባለታት ናይቲ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ","content":"ሞስኮ ኣስታት 70 ሚእታዊት ካብ ሰራዊታ ኣብ ኲናት ዩክረይን ኣዋፊራ ከምዘላ ጸብጻባት ይገልጹ። እንተኾነ ግን፡ ሓይልታት የክረይን'ውን፡ ሓያል ናይ ምክልኻል ተቓውሞታት የካይዱ ምህላዎምን፡ ኣስታት 5,710 ወተሃደራት ሩስያ ምዉታትን ቁሱላትን ከምዝገበሩን ገሊጾም ኣለዉ። ቢቢሲ ነቲ ዝተባህለ ቁጽሪ ካብ ስራሕ ወጻኢ ዝኾኑ ወተሃደራት ሩስያ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይክኣለን። ኣብ ርእሰከተማ ኪቭ፡ ኣብ ጥቓ ቀንዲ 'ታወር' ተለቪዢን ጽዑቕ ትኪ ንሰማይ ክዓርግ ተራእዩ'ሎ። እቲ ኩነታት ምስ መጥቃዕቲ ሩስያ ዝተሓሓዝ እንተኾይኑ ዛጊት ኣይተፈልጠን ዘሎ። ብዛዕባ'ቲ ሎሚ ሓሙስ ክካየድ ዝወዓለ ምዕባለታት ናይቲ ኲናት እዚ ዝስዕብ ክጥቀስ ይክኣል፤","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60578739"} {"headline":"ኒው ዚላንድ፡ ተቓወምቲ ንምብታን ጥዑማት ደርፊታት ዝኸፈቱ ሰብመዚ","content":"ሰብ መዚ ኒው ዚላንድ ኣብ ኣፍ ደገ ፓርላማ ሰልፊ ተቓውሞ የካይዱ ንዘለዉ ሰልፈኛታት ንምብታን ጥዑማት ደርፊታት ባሪ ማኒሎው ከድርፉ ቐንዮም፡፡ እቶም ሰብ መዚ ደርፊታት እቲ ኣመሪካዊ ምስ ፍሉጥ ዳንሲ ስፔን ማካሪና በቢ 15 ደቒቕ የደርፍዎ ነይሮም፡፡ እቶም ኣገዳድነት ክታበት ኮቪድ- 19 ንምቅዋም ዝወጽኡ ሰልፈኛታት ብግዲኦም ብከም ናይ ትዊስትድ ሲስተር ዝበሉ ደርፊታት ምላሽ ሂቦም፡፡ እቲ ተቓውሞ ድሕሪ እተን ብሰሉስ ናብ ፓርላማ እታ ሃገር ዝኸዳ መካይን እዩ ተጀሚሩ፡፡ እቲ ኣብ ካናዳ ኣንጻር ግዱድ ክታበት ኮቪድ1-19 ክካየድ ዝቐነየ ሰልፊ ምልዕዓል ዝፈጠረሎም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዜጋታት ኒው ዚላንድ፡ ኣንጻር እገዳታት ኮሮናቫይረስ ንምቅዋም ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ወሊንግተን ተኣኪቦም፡፡ ‘ኮንቮይ ፍሪደም’ ዝብል ካብ ተቓወምቲ ካናዳ ዝወሰድዎ ሽም ብምሓዝ ድማ ንጎደናታት እታ ከተማ ዓጽዮም፡፡ ብሓሙስ ፖሊስ 122 ሰባት ኣሲሩ ዝተኸልከለ ቦታ ብምጥሓስን መንገዲ ብምዕጻውን ከም ዝኸሰሶም ኣፍሊጡ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ብዓርቢ ሰብ መዚ ነቶም ሰልፈኛታት ንምብታን ነቲ ሰፊሮምሉ ዝቐነዩ ሰውሒ ማይ ዘፍሰሱሉ ኮይኖም፡ እቶም ተቓወምቲ ብግዲኦም እቲ ማይ ዝኸደሉ መገዲ ከም ዝኾዓቱ ኣሶሽየትድ ፕረስ ጸብጺቡ፡፡ ድሕሪ እዚ እዮም ሰብ መዚ እቲ ፓርላማ ብማይ ክብተኑ ዘይከኣሉ ሰልፈኛታት ንምብታን ደርፊታት ባሪ ማኒሎው፣ ማካሪናን መልእኽቲታት ኮቪድ -19ን ዓው ኣቢሎም ከድርፉ ዝጀመሩ፡፡ ኒው ዚላንድ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምዕጋት ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ጥቡቕ ክልከላታት ኣንቢራ ጸኒሓ እያ፡፡ ዕጽዋን ክልከላ መገሻን ዝኣመሰሉ ስጉምቲታት መጠን ረኽስን ሞትን ትሑት ክኸውን ኣኽኢሎም እዮም፡፡ ኣብዚ እዋን ግና ኣገድዳዲ ውሸባ 10 መዓልትን ክታበትን ዝርከቡዎም ክልከላታት ህዝቢ ክማረርን ተቓውሞ ክበዝሕን ይገብሩ ኣለዉ፡፡","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60366908"} {"headline":"ሩስያ ስለምንታይ'ያ ንዩክሬይን ወሪራ?","content":"ሩሲያ፡ ብኣየር፣ ብባሕርን መሬትን ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ከቢድ መጥቃዕቲ ፈንያ። ሓይልታት እታ 44 ሚሊዮን ህዝቢ ዝነብረላ ሃገር ድማ ኣብ ዙርያ ርእሰ ከተማ ኪቭ ዓሪዶም ኣንጻር ሰራዊት ሩስያ ይገጥሙ ኣለው። ንኣዋርሕ ፕሬዝደንት ቭላድሚር ፑቲን ንዩክሬይን ንምውራር ድልየት የብለይን ክብል እኳ እንተጸንሐ ኣሽሓት ሰራዊትን ኣጽዋራት ውግእን ግን ናብ ዶብ ሰሜን፣ ምብራቕን ደቡብን ዩክሬይን ኣጸጊዑ ጸኒሑ። ቭላድሚር ፑቲን ብሰለስቲኡ ሸነኽ ዘውፈሮም ሰራዊት ሙሉእ ወራር ክጅምሩ ትእዛዝ ካብ ዝህብ ጀሚሩ ወተሃደራት ሩሲያ ንከተማ ኪቭ ንምሓዝ ተጸጊዖም’ዮም ዘለው። ብ24 ለካቲት 2021፡ እቲ ፕሬዝደንት ሩሲያ ካብ ዘመናዊት ዩክሬይን ቐጻሊ ዝኾነ ስግኣት ስለ ዘለዋ “ውሕስና” ኣይስምዓን፣ ክትዓብን “ህልውንኣ” ክተረጋግጽን ኣይትኽእልን ኢሉ። ኣብቲ ዕለት መዓርፎ ነፈርትን ናይ ሰራዊት ማእከላትን ክህረሙ እንከለው፡ ሩሲያ ብዝጎበጠታ ክሬሚያን መላፍንታ ቤላሩስን ኣቢሎም ድማ ወተሃደራትን ታንክን ናብ ዩክሬይን ዘሚቶም። መብዛሕትኡ ፑቲን ነዚ ወራር ምኽንያት ገይሩ ዘቕርኦም ክትዓት ሓሶት ወይ ዘይምኽንያታዊ’ዮም። ዕላማይ ግዳያት ምጽናት ዓሌት ዝኾኑ ሰባት ምክልኻልን ኣብ ዩክሬይን “ናዝነትን ወተሃደራውነትን” ምጥፋእ እዩ ይብል። ይኹን’ምበር ኣብታ ብኣይሁዳዊ ፕሬዝደንት እትምራሕ ዩክሬይን ዝተፈጸመ ምጽናት ዓሌት የለን፤ ዴሞክራሲያዊት ሃገር እያ። ፕሬዝደንት ዜለንስኪ፡ እቲ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ተፈጺሙ ዘሎ ወራር መራሒ ጀርመን ዝነበረ ናዚ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝፈጸሞ ተግባር ከም ዝመሳሰል ብምግላጽ “ኣነ ከመይ ኢለ ናዚ ይኸውን?” ኢሉ። ቭላድሚር ፑቲን፡ እቲ ደጋፊኡ ዝነበረ ፕሬዝደንት ዩክሬይን ቪክተር ያኑኮቪች ብ2014 ብህዝባዊ ዓመጽ ካብ ስልጣን ካብ ዝወርድ ንድሓር ዩክሬይን ብጽንፈኛታት ተመንዚዓ እናበለ ይኸስስ። ሽዑ፡ ሩሲያ ንደቡባዊ ዞባ ክሬሚያ ክትጎብጥ እንከላ ነቶም ኣብ ምብራቕ ዝንቀሳቐሱ ተገንጸልቲ ሓይልታት ደጊፋ ዝኸፈተቶ ኲናት 14 ሽሕ ሰባት በሊዑ’ዩ። ኣብ መወዳእታ 2021 ድማ፡ ሩሲያ ዋላ’ውን መጥቃዕቲ ኣይፍኑን እንተበለት ናብ ጥቓ ዶብ ዩክሬይን ኣሽሓት ወተሃደራት ክተውፍር ጀሚራ። ድሕሪኡ እቲ ብ2015 ዝተበጽሐ ስምምዕ ሚኒስክ ንጎኒ ብምግዳፍ ነተን ኣብ ትሕቲ እቶም ተነጸልቲ ዝነበራ ክልተ ክልላት ኣፍልጦ ሃገርነት ሂባ። ሩሲያ እቲ ብዴሞክራሲያዊ መገዲ ዝተመርጸ መንግስቲ ዩክሬይን ክተውድቕ ዕላማ ኣለዋ ድዩ ዝብል ዝተፈልጠ ነገር የለን። ግን ዩክሬይን ካብ ጭቆናን “ብናዛውያን ዝፍጸም ምጽናትን” ናጻ ከውጽኣ እየ ትብል። ፕሬዝደንት ዩክሬይን ዜለንስኪ “እቲ ጸላኢ ንዓይ ቐዳማይ፣ ስድራይ ድማ ካልኣይ ዒላማ ገይሩ ኣሎ” ኢሉ። ኣብ 2014’ውን ፕሬዝደንት ፑቲን ንክሬሚልን ክቆጻጸር እንከሎ “እቶም ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብዙሕ በደል ዝፈጸሙ” ናብ ቤት ፍርዲ ከቕርቦም’የ ብዝብል ናይ ሓሶት ተረኽ እዩ ጀሚሩዎ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ሩሲያ ካብ ዩክሬይን እንታይ እያ ትደሊ ዝብል ኣይፍለጥን። ኣብ ወርሒ ጥሪ ሩሲያ ደጋፊኣ ዝኾነ መንግስቲ ኣብ ዩክሬይን ክትትክእ ድልየት ኣለዋ ዝብል ወረ ነይሩ። ሽዑ ሩሲያ ዘይረብሕ ዘረባ ክትብል ነጺጋቶ ነይራ። ሓደ ዘይተረጋገጸ ጸብጻብ ስለያ ግን ሩሲያ እታ ሃገር ኣብ ክልተ ክትኸፍላ እያ ይብል። ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወራር ቅድሚ ምጅማራ ኣስታት 200 ሽሕ ወተሃደራት ናብ ዶባር እታ ሃገር ኣጸጊዓ ነይራ፤ ሽዑ ኣብተን ብተገንጸልቲ ሓይልታት ተታሒዘን ዘለዋ ክልላት ሉሃንስክን ዶኔትስክን ትኹረት ገይራ ነይራ። ነዘን ክልላት ኣፍልጦ ብምሃብ ፑቲን ድሕሪ ሕጂ እዘን ክልላት ኣካል ዩክሬይን ኣይኮነናን ኢሉ። ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ሓንቲ ዓባይ ሃገር ዓለም ንጎረቤታ ሃገር ክትወርር እንከላ እዚ ፈላማይ ኮይኑ፡ ንዩክሬናውያንን ነቲ ዞባን ዘፍርሕ ኩነታት ፈጢሩ ኣሎ። በቲ ጀርመን “ኲናት ፑቲን” ኢላ ዝጸውዓቶ ድሮ ኣማኢት ሞይቶም ኣለው። ንገለ መራሕቲ ሃገራት እቲ ዞባ ድማ ካብ 1940ታት ንድሓር ናይ ጸልማታት ሰዓታት ዘምጽአ ኲናት ኮይኑዎም ኣሎ። ፕሬዝደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ታሪኽ ኤውሮጳ ነጥቢ መቐይሮ ክብል ገሊጹዎ። ስድራ ዕጡቓት ሓይልታት ክልቲአን ሃገራት ድሕሪ እዚ ኲናት ዝጽበዮም ከበድቲ መዓልታት ኣለው። ዩክሬናውያን ብኲናት ውክልና ሩሲያ ንሸሞንተ ዓመታት ተሳቕዮም’ዮም። ሰራዊት እታ ሃገር ድማ ሕጂ ካብ 18 ክሳብ 60 ዓመት ዘለው ኩሎም ናብቲ ሰራዊት ክጽንበሩ ጸዊዑ። ላዕለዋይ በዓል መዚ ሰራዊት ኣመሪካ ማርክ ሚለይ ሩስያ ሰባት ብብዝሒ ኣብ ዝነብሩሎም ከተማታት መጥቃዕቲ ትፍጽም ብምህላዋ “ኣዝዩ ዘፍርሕ” ክስተት ክፍጠር’ዩ ክብል ተዛሪቡ። እዚ ኲናት ሩስያውያ’ውን ዝተጸበዩዎ ኣይነበረን። ብሰንኪ እዚ ኲናት ሓሙሽተ ጎረባብቲ ሃገራት ዩክሬይንን ሩስያን ብዝሒ ዘለዎም ተመዛበልቲ ስደተኛታት የአንግዳ ኣለዋ። ኤጀንሲ ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክሳብ ሓሙሽተ ሚሊዮን ህጻናት ክመዛበሉ ከም ዝኽእሉ ይግምት። ፖላንድ፣ ሞልዶቪያ፣ ስሎቫኪያን ሃንጋሪን ብብዝሒ ሰባት ዝስደዱለን ዘለዋ ሃገራት እየን። ኔቶ ናብ ዩክሬይን ሰራዊት ናይ ምልኣኽ መደብ ከም ዘይብሉ ገሊጹ’ዩ። ኣብ ክንድኡ ኣማኸርቲ፣ ኣጽዋርን ተንቀሳቐስቲ ሆስፒታላትን ሓገዝ ክገብር ሓቲቱ። ይኹን’ምበር ናብ ሃገራት ባልቲክን ፖላንድን ኣሽሓት ሰራዊት ኣውፊሩ ኣሎ። እዚ ንፈለማ እዋን ዝተዋፈረ ንጡፍ ሰራዊት እዩ። ኔቶ ናበይ ምዃኖም እኳ ግልጺ እንተዘይገበረ ናብ ሮማኒያ፣ ቡልጋሪያ፣ ሃንጋሪን ስሎቫኪያን’ውን ሰራዊት ክሰድድ ይኽእል እዩ። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ሃገራት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ቑጠባን ትካላት ፋይናንስን ሩስያ ዘነጻጸረ ስጉምታት ይወስዳ ኣለዋ። ፑቲን፡ ብኸፊል ኔቶ ብአንፈት ምብራቕ ዘርኣዮ ምስፍሕፋሕ ነቲ መጥቃዕቲ ክወስድ ከም ዝገበሮ ይገልጽ። ቅድሚኡ ሩስያ “ካብዚ ንላዕሊ ክተንሳሕብ ቦታ የብላን፤ ስቕ ኢልና ከፍ እንብል ድዩ መሲሉዎም?” ኢሉ ነይሩ። ዩክሬይን ድማ ናብቲ ልፍንቲ ብዙሓት ሃገራት ዝኾነ ኔቶ እትጽንበረሉ ቑርጽ ዝበለ መዓልቲ ክንገራ ትደሊ፤ ምኽትል ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ርያብኮቭ “ንዓና ብዝኾነ ተኣምር ዩክሬይን ኣባል ኔቶ ከይትኸውን ምግባር ኣገዳሲ’ዩ” ኢሉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፑቲን ዩክሬናውያን “ኣካል ሓንቲ ሃገር” እዮም ዝብል ነዊሕ ጽሑፍ ጽሒፉ ነይሩ። እቲ ብታሕሳስ 1991 ዘጋጠመ ምፍራስ ሶቭየት ሕብረት ክኣ “ምብትታን ታሪኻዊት ሩስያ” ክብል ገሊጹዎ። እታ ሕጂ ዘላ ዩክሬይን ብኮሚኒስት ሩስያ ዝተፈጥረት ሕጂ ድማ ብምዕራብ እትዝወር ኵርኵር ሃገር ክብል ይጽውዓ። ፑቲን ብተወሳኺ ዩክሬይን ናብ ኔቶ እንተተጸንቢራ እቲ ጥምረት ንክሬሚያ ክሕዛ’ዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎ። እቲ ቃል ኪዳን’ውን ናብቲ ቅድሚ 1997 ዝነበሩ ዶባት ክምለስ ትጠልብ። ፑቲን፡ ኔቶ ሓይልታቱን ትሕተ ቕርጺ ሰራዊቱን ካብተን ካብ 1997 ጀሚሩ ዝተጸንበራ ሃገራት ከውጽእ ኣለዎ እንትብል ኣብ ጥቓ ዶባት ሩስያ’ውን ኣጽዋራት ከቐምጥ የብሉን ይብል። እዚ ማለት ማእከላይ ኤውሮጳ፣ ምብራቕ ኤውሮጳን ሃገራት ባልቲክን እዩ። ኔቶ፡ ሓደሽቲ ናብቲ ቃል ኪዳን ክጽንበራ ንዝደልያ ሃገራት በሩ ርሑው ከም ዝኾነ ይገልጽ፤ እተን 30 ኣባል ሃገራት ድማ ዘይልወጣ ምዃነን ይሕብር። ቻንስለር ጀርመን ከም ዝበሎ ዩክሬይን ንነዊሕ እዋን ኣባል ናይ ምግባር መደብ የለን። እንተኾነ ዝኾነት ኣባል ኔቶ ሃገር ኣባልነታ ክትገድፍ ምጽባይ ዘይሕሰብ እዩ። ክታብ ሕጂ የለን። ዩክሬይን ዘተ ክካየድ እኳ እንተጸውዐት ሩስያ ግን ኪየቭ ኢዳ ንክትህብን ዕጥቂ ክትፈትሕን እንተተሰማሚዓ ጥራይ ንዘተ ቅርብቲ ከም እትኸውን ገሊጻ። እዚ ኽኣ ፈጺሙ ኣይኸውንን። ብተወሳኺ እቲ ድሕሪ ሕጂ ክመጽእ ዝኽእል ስምምዕ ንክልላት ምብራቕ ዩክሬይን ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ኣለዎ።","category":"ኣውሮፓ\/ኤወሮጳ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60544114"} {"headline":"ሰሜን ኮርያ ንሩስያ ኣጽዋር ትሸጠላ ኣላ - ኣመሪካ","content":"ብምኽንያት ማዕቀብ እኹል ኣጽዋር ክተፍርይ ዘይከኣለት ሩስያ፡ ወታሃደራዊ ንዋት ካብ ሰሜን ኮርያ ክትገዝእ ከምእተገደደት መራኸቢ ማዕከናት ኣመሪካ ገሊጸን። ካብ ማእከል ስለላ ዝተረኸበ መረዳእታ መሰረት ብምግባር ኒው ዮርክ ታይምስ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡  ሩስያ ብሚልዮናት ዝቑጸር ተተኮስትን ሮኬታትን ካብ ፒዮንጊያንግ ከምዝገዘአት የመልክት። እቲ ኲናት እናቐጸለ ብዝኸደ መጠን፡ ሩስያ ተወሰኽቲ ኣጽዋራት ካብ ሰሜን ኮርያ ክትገዝእ ከምእትግደድ እውን ሓደ በዓል መዚ ኣመሪካ ሓቢሩ። ሩስያ ካብ ኢራን ዝገዝአተን ፈላሞት ሓደስቲ ድሮናት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምእተረከበተን ተገሊጹ እዩ። ብዙሕ ማዕቀባት ምዕራባውያን ዝተጻዕነን ሰሜን ኮርያን ኢራንን፡ ድሕሪ እቲ ፑቲን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝጀመሮ ወራር፡ ምስ ሩስያ ዘለወን ርክብ የሐይላ ኣለዋ። በቲ ኲናት ንኣመሪካ ዝወቅስ ስርዓት ሰሜን ኮርያ፡ ኣብ ዓብላልነት ዝተመርኮሰ ፖሊሲ ምዕራባውያን፡ ሩስያ ሓይሊ ክትጥቀም ከምዘገደዳ ይገልጽ። እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ነጻ ግዝኣታት ከምዝኾና ንዝኣወጃ ዶነስክን ሉሃንስክን ኣፍልጦ ክምዝሃበተን ዝሓበረት ኮይና ምስ ሩስያ ዘለዋ ምሕዝነት ከምእተሐይል እውን ገሊጻ ነይራ። ፑቲን'ውን ብተመሳሳሊ ክልተአን ሃገራት ርክበን ከምዘጠናኽራ ምግላጹ ሃገራዊ ሚድያ ሰሜን ኮርያ ሓቢራ። ብዝሒ ናይቲ ሩስያ ዝዓደገቶ ኣጽዋር ብልክዕ'ኳ እንተዘይተገለጸ፡ ሓደ ላዕለዋይ ኣመሪካዊ በዓልስልጣን ግና እቲ ኩነታት፡ ሩስያ ብምኽንያት እገዳ ሕጽረት ቀረብ ከምዘጋጠማ ዘመላኽት እዩ ኢሉ። እንተኾነ ዛጊድ ዝተነበሩ ማዕቀባት፡ ሩስያ ካብ ሰደድ ጻዓት ንእትረኽቦ ኣታዊ ኣዐርዩ ከምዘይጸለዎ ጸብጻባት የመልክቱ። ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ሩስያ ወተሃደራዊ ዓቕማ ደጊማ ናይ ምሕያል ተኽእሎኣ ክምዝደኸመ እዮም ዝገልጹ። ሩስያውያን ሰብ ሞያ ኣተኣላልያ ድሮን ሞሃጀር-6 ን ሻሂድን ስልጣና ንምውሳድ ናብ ኢራን ምኻዶም ሰብ መዚ ድሕነት ኣመሪካ ይሕብሩ። ኮይኑ ግና እተን ድሮናት ካብ ዝግዘኣ ጀሚሩ መካኒካውን ቴክኒካውን ጸገማት የጋጥመን ከምዘሎ እቶም ሰብመዚ ንጋዜጠኛታት ገሊጾም። ኢራን ንሩስያ ይኹን ዩክረይን ዘቕረበቶ ኣጽዋር ከምዘየላ እያ እትገልጽ። ወታሃደራውያን ሰብዘሚ ብሪጣንያ ብሰሉስ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ሩስያ ኣብቲ  “እትሰዓረሉ ዘላ ኲናት” ቀረብ ድሮናት ንምዕቃብ ትቃለስ ከምዘላ ዘፍለጡ ኮይኖም፡ ኣማኻሪ ድሕነት ኣመሪካ ጄክ ሱሊቫን፡ ኢራን ኣማኢት ድሮናት ንሩስያ ክተቕርበላ ትዳሎ ከምዘላ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ገሊጹ ነይሩ።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cx80wlx1r3ro"} {"headline":"ዓለም ኣብ መድረኽ ኑክሌራዊ ጥፍኣት ከም ዝበጽሐት ኣንቶንዮ ጕተረዝ ኣጠንቂቝ","content":"ዓለም ካብ ኣዕናዊ ኑክሌራዊ ኲናትን ድሕሪ ዝሑል ኲናት ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓደጋን፡ ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ ሓደጋ ኑክሌራዊ ጥፍኣት በጺሓ ከም ዘላ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቝ። ኣንቶንዮ ጉተረስ፡ \"ክሳብ ሎሚ'ውን ብዝገርም ኵነታት ዕድለኛታት ኴንና ኢና ጸኒሕና\" ክብል ተዛሪቡ'ሎ። ንሱ፡ ኣርባዕተ ሃገራት ኑክሌራዊ ኣጽዋር ንዘይምዝርጋሕ ውዕል ክኣትዋ ኣብ ዝተዳለወ ዋዕላ እዩ ነዚ መልእኽቲ ኣሕሊፉ። እቲ ናይ 1968 ስምምዕ ድሕሪ ቅልውላው ሚሳይላት ኩባ ዝተኣታተወ ኰይኑ፡ እቲ እዋን ዓለም ናብ ኑክሌራዊ ኲናት ዝቐረበትሉ ፍጻመ ተባሂሉ ይግለጽ። እቲ ውዕል፡ ናብ ሃገራት ዝዝርጋሕ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ደው ንምባል ከምኡ’ውን ሃገራት ምሉእ ብምሉእ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከም ዝፈትሓ ንምግባር ዝዓለመ ነይሩ። እተን ሓሙሽተ ዝለዓለ ኑክሌራዊ ዓቕሚ ዘለወን ዝበሃላ ሃገራት ሓዊሱ ዳርጋ ኵለን ሃገራት ዓለም ነቲ ስምምዕ ፈሪመን’የን። ካብተን ፈጺመን ዘይፈርማ እሞ ድማ ኑክክሌራዊ ኣጽዋር ኣለወን ዝበሃላ ወይ ዝጥርጠራ ኣርባዕተ ሃገራት ከኣ ህንዲ፡ እስራኤል፡ ሰሜን ኮርያን ፓኪስታንን ምዃነን ይግለጽ። ዓለም ኑክሌራዊ ሓደጋ ንምውጋድ ዘስተማቐረቶ \"ዕድል\" ነዊሕ ክጸንሕ ከምዘይክእል ዘጠንቀቐ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ኵሉ ከምዚ ዓይነት ኣጽዋር ንምውጋድ ዝግበር ድፍኢት ክሕደስ ኣተሓሳሲቡ። \"ዕድል ስትራተጂ ኣይኰነን። ናብ ኑክሌራዊ ግጭት ካብ ዘምርሕ ጂኦፖለቲካዊ ወጥሪ ዝከላኸል’ውን ኣይኰነን\" ኢሉ። ብደረጃ ዓለም ዝጓሃሃሩ ዘለዉ ወጥሪታት \"ናብ ዝለዓለ ደረጃ ይበጽሑ\" ከምዘለዉ ብምሕባር፡ ንወራር ዩክረይን፡ ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ንዘሎ ወጥሪ ከም ኣብነት ጠቒሱ። ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ድሕሪ ምእዋጁ፡ ኑክለራዊ ኣሃዱታቱ ኣብ ዝለዓለ ተጠንቀቕ ክጸንሑ መምርሒ ምስሃበ፡ ሃገሩ በቲ እናሓየለ ዝኸይድ ዘሎ ዓለማዊ ወጥሪ ትኽሰስ ኣላ። ኣንጻር ሩስያ ደው ንዝብሉ ኣካላት እውን \"ኣብ ታሪኽ ርኢኹምዎ ዘይትፈልጡ\" ሳዕቤናት ከምዝህልዎ ኣፈራሪሑ ነይሩ። ስትራተጂ ኑክሌር ሩስያ፡ ህላወ እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ወዲቝ ኣብ ዝበሃለሉ እዋን ኑክሌራዊ ኣጽዋር ምጥቃም ዘጠቓልል እዩ። ፑቲን ናብቲ ትማሊ ሰኑይ ጉተረዝ መልእኽቲ ዘሕለፈሉ ዋዕላ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ \"ኣብ ኑክሌራዊ ኲናት ተዓወትቲ ክህልዉ ኣይክእሉን። ኑክሌር ፈጺሙ ክልቀቕ'ውን የብሉን\" ክብል ሓቢሩ። ነቲ ሩስያ እትፍጽሞ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ናይ ምርኣይ ንጥፈታት ዝዀነነ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ዩክረይን ግን ካብ ሩስያን ካልኦትን ክወርዳ ካብ ዝኽእል መጥቃዕቲ ውሕስነት ድሕሪ ምርካባ፡ ነቲ ካብ ዘመነ ሶቭየት ጀሚራ ዝሓዘቶ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከም ዘረከበት ኣዘኻኺሩ። ኣብዚ እዋን ኣብ ትሽዓተ ሃገራት ኣስታት 13,000 ኑክሌራዊ ኣጽዋር ኣብ ኣገልግሎት ከም ዘሎ ይግመት። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ዝበጽሐሉ መፋርቕ 1980ታት ተዓቂቡ ክም ዝነበረ ዝግመት 60,000 ኣዝዩ ዝወሓደ’ዩ።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cyd4j9q93g9o"} {"headline":"ሕብረት ኣውሮፓ፡ 'ኑክሌር ክጥቀም እየ' ንዝብል ምፍርራሕ ፑቲን፡ ዕሽሽ ከይብሎ ተሓቲቱ","content":"ሕብረት ኣውሮፓ ነቲ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዩክሬን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኑኩለራዊ ኣፅዋር ክጥቀም ምዃኑ ዘስምዑ ምፍርራሓት ኣቃሊሉ ከይወስዶ ተሓቲቱ። ሓላፊ ፖሊሲ ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ጆሴፍ ቦረል፡ ሕብረት ኤውሮጳ ንመጠንቀቕታ ፑቲን ብዕቱብ ክወስዶ ተማሕጺኑ። ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፡ ፑቲን ኑክለራዊ ኣጽዋር ክጥቀም ምዃኑ ከፈራርሕ እንከሎ፡ \"ኣይገብሮን'ዩ\" ብምባል ዕሸሽ ክበሃል የብሉን ኢሉ። ሩስያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣርባዕተ ዞባታት ዩክሬን ናብ ግዝኣታ ንምሕዋስ እናተንቀሳቐሰት ትርከብ። ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ሓይልታት ዩክሬን፡ ነቲ ዝተጎበጠ ግዝኣቶም ካብ ሰራዊት ሩስያ ዳግማይ ከምዝመንዝዑ ዝዝከር እዩ። ጆሴፍ ቦረል፡ \"ሰራዊት ሩስያ ይድፋእ ምህላዉ ስክፍታ ይፈጥር ኣሎ። ፑቲን ከም ግብረ መልሲ ኑክለራዊ ኣጽዋር ክጥቀም ምዃኑ ምፍርርሑ ኣዝዩ ዘስግእ'ዩ\" ኢሉ። ንኲናት ዩክሬን \"ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ\" ከምዘድሊ እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሕብረት ኤውሮጳ ገሊጹ። \"ልኡላውነት ዩክሬን ዘረጋግጽ ፍታሕ የድሊ። እንተዘይኮይኑ ዋላ እቲ ኲናት እንተተወዲኡ ሰላም ኣይክህሉን። ዳግማይ ኲናት ክለዓል ይኽእል'ዩ\" ኢሉ። ዩክሬን ቀንዲ ኣጀንዳ ናይዚ ዓመት ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኮይና ኣላ። ፖለቲከኛታትን ተራ ዜጋታትን እውን እቲ ኲናት መዓስ ከምዝውዳእ ይሓቱ ኣለው። እቲ ኣውሮጳዊ በዓልስልጣን ወሲኹ፡ \"ምዕራባውያን እገዳታት ብምንባሮም፡ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ቅልውላው ሩስያ ንዐኦም ተሓተትቲ ክትገብር እያ፣ ብኣንጻሩ ሕብረት ኤውሮጳ ትረኻ ናይቲ ኲናት ንምቁጽጻር ይቃለስ ኣሎ\" ኢሉ። ሕብረት ኤውሮጳ ንዩክሬን ዝህቦ ደገፍ ኣጽዋር ይጎድል ኣሎ ንዝብል ርእይቶ ግን ነጺጉ። ንዩክሬን ዝግበር ናይ ኣጽዋር ደገፍ ከምዝቕጽልን ኣብ ልዕሊ ፑቲንን መሻርኽቱን ዝግበር እገዳ ደው ከምዘይብልን ገሊጹ። ፑቲን ኑክለራዊ ኣጽዋር ንምጥቃም ምህቃኑ ግን ከምዘተሓሳስብ ኣስሚርሉ። ጆሴፍ ቦረል ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝረአ ዘሎ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ከቢድ ስግኣት ከምዝሰዐበ ጠቒሱ። “ብሰንኪ ልዑል ዋጋ ጋዝ ክንሰርሕ ኣይከኣልናን ዝብሉኒ ደቂ ሃገረይ ኣለዉ። ካብ ኣፍሪቃ፣ ደቡብ ኣሜሪካን ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያን ተመሳሳሊ ወረ ሰሚዐ ኣለኹ። እዚ ኲናት ዘስዕቦ ዘሎ ጸቕጢ ልዑል እዩ\" ኢሉ። ንሱ፡ ፑቲን'ውን ብድርድር ፍታሕ ንምርካብ እጃሙ ከወፊ ተማሕጺኑ። \"እቶም ምስ ፑቲን ንምዝርራብ ናብ ሞስኮ ዝኸዱ ብሓፈሻ ተመሳሳሊ ነገር እዮም ዝዛረቡ። እዚ ድማ ፑቲን 'ወተሃደራዊ ዕላማታተይ ክሳብ ዘሳኽዕ ምቅላስ ኣየቋርጽን እየ' ምባሉ እዩ። እዚ ሓደገኛ እዩ። ንዩክሬን ምድጋፍና ድማ ክንቅጽል ኣለና\" ኢሉ፡ እቲ ዓቢ በዓል ስልጣን ሕብረት ኤውሮጳ፡ ጆሴፍ ቦረል።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c5127v3n4z0o"} {"headline":"ሩስያ ናብ ፖላንድ ሚሳይል 'ኣይተኮስኩን' ኢላ","content":"ሰብ መዚ ፖላንድ ትማሊ ምስ ዩክረይን ኣብ ዘዋስን ዶብ ዝዓለበ ሚሳይል ክልተ ሰባት ከምዝቐተለ ገሊጾም ነይሮም። ኣብ መጀመርታ ዝወጹ ጸብጻባት ንሩስያ ተሓታቲት ዝገብሩ እዮም፤ እታ ሃገር ግን ነጺጋቶ። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ብወገኑ፡ እቲ ሚሳይል ካብ ሩስያ ዝተተኮሰ ናይ ምዃን ዕድሉ ዝወሓደ ከምዝዀነ ተዛረቡ። ኣብቲ ኣብ ባሊ - ኢንዶነዥያ - ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ሃገራት ጕጅለ 20 ዝሳተፍ ዘሎ ፕረዚደንት ባይደን፡ እቲ ኣፈናዊ ሓበሬታ ምስቶም ዝቐረቡ ጸብጻባት ከምዘይመሳሰል ተዛሪቡ። ንሱ ኣብቲ መራሕቲ ብሪጣንያን ፈረንሳን ዝርከብዎም ዝተሳተፉሉ፡ ነቲ ነትጒ ዝምልከት ህጹጽ ኣኼባ እዩ ነዚ ዝሓበረ። ሩስያ ሰራዊታ ካብ ኬርሶን ድሕሪ ምስሓባ፡ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዩክረይን ሓድሽ መጥቃዕቲታት ሚሳይል ኣብ ዘካየደትሉ እዩ ኣብታ ኣባል ኔቶ ዝዀነት ፖላንድ ሚሳይል ከምዝዓለበ ተገሊጹ ዘሎ። ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ነቲ እቲ መጥቃዕቲ ብሩስያ ተፈጺሙ ክኸውን ከምዝኽእል ዝገልጽ ክሲ፡ “ኮነ ተባሂሉ ነቲ ኵነታት ንምግዳድ ዝግበር ዘሎ ትንኮያ” ክብል ነጺግዎ። ወሃቢ ቃል ክረምሊን ዲመትሪ ፒስኮቭ ብወገኑ ብዛዕባ እቲ ዝተባህለ ነትጒ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ተዛሪቡ። መንግስታዊ ትካል ዜና ሩስያ፡ ርያ ኖቮስቲ፡ ድማ ሚሳይል ዩክረይን ኣብ ግዝኣት ፖላንድ ከምዝዓለበ ገሊጻ ኣላ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን ብኣንጻሩ ነቲ እቲ ሚሳይል ካብ ዩክረይን ተተኲሱ ዝብል ሓበሬታ “ሽርሒ ሩስያ” ክብል ነጺግዎ። ፕረዚደንት ፖላንድ፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብኸመይ ከምዝተፈጸመ ግልጺ ከምዘይኮነን ምርመራ ይካየድ ከምዘሎን ሓቢሩ ኣሎ። “ዛጊድ ነቲ መጥቃዕቲ መን ከምዝፈጸሞ ርጡብ መረዳእታ የብልናን፤ እቲ ሚሳይል ስርሓት ሩስያ ናይ ምዃን ዕድሉ ዝለዓለ እዩ፤ እንተዀነ ኣብ ምጽራይ እዩ ዘሎ” ኢሉ። እቲ መጥቃዕቲ፡ ፖላንድ ነቲ ኣብ ዓንቀጽ ኣርባዕተ ስምምዕ ኔቶ ዝተጠቐሰ፡ ኣባል ሃገራት ግዝኣታዊ ሓድነተንን ድሕነተንን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ስግኣት ብዛዕባ ምህላዉ ዝግምግም ነጥቢ፡ ክረኣየላ ክትሓትት ዶ ትኸውን? ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ ኣሎ። እታ ሃገር እውን ነቲ ኵነታት ትግምግሞ ከምዘላ ገሊጻ። ኔቶ፡ ዋላ'ኳ ኣብቲ ሩስያ ዘጀመረቶ ወራር ንዩክረይን ክሕግዝ እንተጸንሐ፡ እቲ ኵነታት ከይጋደድ ብዝብል ግን ኣዐርዩ ካብ ምትእትታው ተቘጢቡ ጸኒሑ። ሃገራት ጕጅለ ሸውዓተ ኣብ ዘውጽኣኦ መግለጺ ድማ፡ ነቶም ሩስያ ብሰሉስ ኣብ ዩክረይን ዝፈጸመቶም መጥቃዕቲታት ሚሳይል ብምኹናን፡ ፖላንድ እትገብሮ ምጽራይ ከምዝድግፉ ኣፍሊጦም። ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ብተመሳሳሊ እቲ ኣብ ፖላንድ ዓሊቡ ዝተባህለ ሚሳይል ከምዘሻቐሎ ብምግላጽ፡ ዓሚቕ ምርመራ ክካየድ ሓቲቱ ኣሎ። ሩስያ ንፖላንድ ናይ ምጥቃዕ ድልየት ከምዘይብላ ዝገልጹ ገለ ጸብጻባት፡ እቲ ሚሳይል ብጌጋ ካብ ሩስያ ወይ ድማ ካብ ሩስያ ንዝትኮሱ ሚሳይላት ንምምካን ብወገን ዩክረይን ይትኮሱ ካብ ዝነበሩ ሚሳይላት ዝመጸ ክኸውን ከምዝኽእል ይግምቱ። ኔቶ ብወገኑ ነቲ ኵነታት ይምርምሮ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c88krggzx49o"} {"headline":"ኵናት ዩክረይን፡ ሩስያ ንዩክረይን ኣፅዋር ኵናት ንዝሕግዛ ሃገራት ምዕራብ ኣጠንቂቓ","content":"ሩስያ ንዩክረይን ኣፅዋር ኵናት ይምውላ እየን ንዝበለተን ሃገራት ኣሜሪካን መሻርኽታን ብወግዒ ኣጠንቂቓ። ሩስያ ኣብ ዋሽንግተን ብዝርከብ ኤምባሲኣ ኣቢላ ንኣሜሪካ ዝለኣኸቶ በዓል ክልተ ገፅ ወግዓዊ መጠንቀቕታ፡ ኣሜሪካን ኔቶን ናብ ዩክረይን ይልእኽዎ ዘለዉ ኣፅዋር ኵናት፡ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ጎንፂ \"ነዳዲ ምውሳኽ'ዩ\" ኢላ። እዚ ድማ ዘይግመት መዘዝ ከስዕብ ከምዝኽእል ኣጠንቂቓ። ኣሜሪካ 800 ሚልዮን ዳላር ዘውፅእ ኣፅዋር ኵናት ናብ ዩክረይን ከም ትልእኽ ምፍላጣ ስዒቡ'ዩ፡ ሩስያ ነዚ መጠንቀቕታ ሂባ ዘላ። እቲ ብፕረዝደንት ባይደን ዝፀደቐ ወተሃደራዊ ሓገዝ፡ ነዊሕ ርሕቐት ዝጓዓዝ ከም 'ሆውቲዘር' ዝበለ ኣፅዋር ይርከቦ። ሓደ ላዕለዋይ በዓልመዚ ኣሜሪካ፡ እዚ መጠንቀቕታ ሩስያ፡ ኣሜሪካን ኔቶን ንዩክረይን ዝህብዎ ዘለዉ ድጋፍ ውፅኢታዊ ምዃኑ ዘረጋግፅ'ዩ ኢሉ። ሓይልታት ሩስያ ኣብ ዝቕፅሉ ሒደት ሰሙናት ኣብ ክልል ዶንባስ ዓብይ መጥቃዕቲ ንምፍፃም ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ይሸባሸቡ ኣለዉ። እዚ ኣሜሪካ ንዩክረይን እትህቦ ኣፅዋር ኵናት፡ ቀዳማይ ዙር፡ ኣብ ዝቕፅሉ ሒደት መዓልታት ናብ ዩክረይን ክበፅሕ ትፅቢት ይግበር። ሩስያ ንዩክረይን ካብ ትወርር ንነዘ፡ ኣሜሪካ፡ ንዩክረይን ልዕሊ 3 ቢልየን ዳላር ዝግመት ወተሃደራዊ ሓገዝ ከምዝገበረት ይፍለጥ። ብካልእ ወገን ኮር ፍሉይ ሓይሊ ብሪጣንያ፡ ኣብ ኪቭ ንዝርከቡ ወተሃደራት ዩክረይን የሰልጥኑ ከምዘለዉ ተገሊፁ። ሰብመዚ ሰራዊት ዩክረይን ከምዝገለፅዎ፡ እቶም ኣሰልጠንቲ ወተሃደራት ዩክረይን ብኸመይ ፀረ ታንኪ ሚሳይል ክጥቀሙ ከምዝኽእሉ ከምዘሰልጠንዎም ገሊፆም። ሰራዊት ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ ግና ነዚ ኣየረጋገፆን። ፕረዝደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ብፍሉይ ምስ ሲኤንኤን ኣብ ዝገበሮ ፃንሒት፡ ሩስያ፡ መጥቃዕቲ ኒኩለር ክትኸፍት ከምትኽእል ገሊፁ። ዘለንስኪ፡ ሩስያ ንዩክረይን ካብ ትወርር ጀሚሩ፡ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ወተሃደራት ዩክረይን ከምዝሞቱን ኣስታት 10 ሽሕ ከምዝቖሰሉን'ውን ሓቢሩ።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/61126475"} {"headline":"ኣሜሪካ፡ ንናይጀርያ ዋጋ ኣስታት 1 ቢልዮን ዶላር ወተሃደራዊ ኣጽዋር ክትሸጠላ'ያ","content":"ኣሜሪካ ንናይጀርያ 12 ታንክታት፡ ሄሊኮፕተራትን ምዕቡል ሮኬታትን ዝርከቢ ዋግ 997 ሚልዮን ዶላር ወተሃደራዊ ኣጽዋር ክትሸጠላ ከምዝተሰማምዐት ተገሊጹ። እቲ ኣጽዋር ናይጀርያ ነቲ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ጸጥታዊ ዘይምርግጋእ ምስ ፖሊሲ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣሳንያ ንምውሓስን ንኣሜሪካ ኣጽዋር ክትሸጠላ ብወግዒ ከምዝሓተተታ ቤት ጽሕፈት ምኽልኻል ኣሜሪካ ኣፍሊጡ። ኣሜሪካ፡ ናይጀርያ ነቲ ኣጽዋር ኣብ ኢዳ ከተእትዎ ጸገም ከምዘይብሉ ብምግላጽ፡ እንተኾነ እቲ መስርሕ ምርኽኻብ ክሳብ 5 ዓመታት ክወስድ ከምዝኽእል ኣነጺሩ። ኣሜሪካ ነቲ ኣጽዋር ንናይጀርያ ቅድሚ ምርካባ፡ ነቶም ነቲ ኣጽዋር ዝጥቀምሉ ናይጀርያውያን ወተሃደራት ብዛዕባ መሰል ደቂ ሰባትን እቲ ኣጽዋር ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ከየውዕልዎን ክትምህሮም ምዃና ሓቢራ። ናይጀርያ፡ ብሕሉፍ ኣረኣእያ ዘለዎም ቦኮ ሓራምን ኣይኤስን ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ዘጋጥማ ዘሎ ሃገር'ያ። ብዘይካ'ዚ ኣብታ ሃገር ዝተወደቡ ዕጡቓት ብተደጋጋሚ ተማሃሮ ዝርከብዎም ሰባት ብምጭዋይ ገንዘብ ዝሓቱ'ውን ኣለዉ። ናይጀርያ ኣብ እዋን መሪሕነት ባራክ ኦባማ፡ ሓቲታቶ ዝነበረ ዕድጊት ኣጽዋር፡ ብሰንኪ ስግኣት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብኣሜሪካ ተቐባልነት ምስኣኑ ዝዝከር እዩ። ኣብ 2017 ኣብ እዋን መሪሕነት ዶናልድ ትራምፕ ግን ናይጀርያ ካብ ኣሜሪካ 12 'ሱፐር ቱካኖ' ዝተብሃለ ወተሃደራውያን ነፈርቲ ካብ ኣሜሪካ ክትገዝእ ተፈቒድዋ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከምዝተረከበት ዝዝከር'ዩ።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61126176"} {"headline":"ኪዳን ሩስያ-ኢራን ሓድሽ ሓደጋ ንዓለም ዶ ይኸውን?","content":"ዝሓለፈ ዓመታት፡ ዛዕባ'ቲ ካብ ሩስያ ናብ ኢራን ዘምርሕ ዝነበረ ዝተራቐቐ መከላኸሊ ኣየር መዛረቢ ማዕከናት ዜና ኰይኑ ነይሩ እዩ። ሕጂ ግን ብኣንጻሩ፡ ዋሕዚ ኣጽዋር ኣንፈቱ ቀይሩ ከምዘሎ ጆናታን ማርከስ ካብ ትካል ስትራተጂን ጸጥታን ዩኒቨርሲቲ ኤክስተር ጽሒፉ’ሎ። ድሮናት ኢራን፡ ንሰላማውያን ዩክሬናውያን ንምርዓድን ንስርዓተ ምምንጫውን ምዝርጋሕን ጸዓት እታ ሃገር ንምጥቃዕ ተዋፊረን ኣለዋ። ሩስያ ኣብ ኲናት ዩክረይን ዘጋጥማ ዘሎ ጸገማት፡ ልክዕ ዕላማኦም ዝሃርሙ ተመራሕቲ ኣጽዋራት ንምርካብ ናብ ኢራን ገጻ ክትጥምት ደሪኽዋ ኣሎ፤ መሳርያታት ብቕልጡፍ ይውዳእ’ዩ ዘሎ። ሩስያውያን፡ ንመሬታዊ ዒላማታት ዩክረይን ንምጥቃዕ፡ ኣብ ብርክት ዝበሉ ኣጋጣሚታት ሚሳይላት ምክልኻል ገማግም ባሕርን ኣየርን ተጠቒሞም እዮም፤ ነዚ ግን ብቝዓት ኰይኖም ኣይተረኽቡን። ካብ ኢራን ናብ ሩስያ ዘቕንዐ በረራታት ክትትል ተገይሩሉ እዩ። ምንጭታት ኣሜሪካ ዘውጽእዎ ጸብጻባት ከም ዝመልክትዎ፡ ኢራናውያን ኣሰልጠንቲ ኣባላት ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣብ ክረሚያ ናብ ዝርከብ መደበር ተዋፊሮም ንኣጠቓቕማ ‘ቲ ስርዓተ ኣጽዋር ንሩስያውያን የሰልጥኑ ኣለው። ካብተን ተሃሪመን ዝወደቓ ክልቲኡ ዓይነት ድሮን፣ ‘ሻሂድ-131’ [ካሚካዘ ተባሂለን ዝፍለጣ] ከምኡ'ውን ዝዓበየ ‘ሻሂድ-136’ ዝተረኽበ ስብርባር ተተንቲኑ እዩ። ኢራን፡ ዋላ’ኳ ነዚ እንተኸሓደት፡ ነቲ ኣብ ኣጽዋራት ሩስያ ኣጋጢሙ ዘሎ ርኡይ ሕጽረት ትሽፍን ከም ዘላ ዘጠራጥር ኣይኰነን። እዚ ንዩክረይን ጽቡቕ ዜና ከምዘይኰነ ብሩህ እዩ። ሓያለ ካብተን ብኢራን ዝቐረባ ድሮናት ተሃሪመን ይወድቃ’ኳ እንተለዋ፡ ካብዚ ዝኸፍአ ክመጽእ ከም ዝኽእል ግን ይፍራሕ። ኢራን ዝያዳ ዓቕሚ ዘለዎም ኣጽዋራት ኣለዉዋ። ስለዚ፡ ካብዚ ንላዕሊ ሓደገኛ ዝዀኑ ከም ባሊስቲክ ሚሳይላት ዝኣመሰሉ ኣጽዋራታ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሩስያ ክግዕዙ ከምዝኽእሉ ስግኣታት ኣሎ። እዞም ኣጽዋራት ካብተን ድሮናት ንላዕሊ ዓበይቲ ርእሲ ኲናት ዝጸሩ ክዀኑ እንከለዉ፡ በቲ ኻልእ ገጽ፡ ዩክረይን ናይ ጸረ-ባሊስቲክ ሚሳይል ዓቕማ ድሩት እዩ። እዚ ድማ ምዕራባውያን ንጸረ-ኣየርን ጸረ-ሚሳይላትን ዓቕሚ ዩክረይን ንምድልዳል ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕርታት ዝያዳ ክሓላልኾ ይኽእል እዩ። እዚ ኣብ መንጐ ሞስኮን ቴህራንን እናዓሞቐ ዝኸይድ ዘሎ ዝምድና፡ ዝሰፍሐ ጽልዋታቱ ኸ እንታይ ይኸውን? እዚ ብቐንዱ ነቲ ኣብ መንጐ ማሕበረሰብ ዓለምን ቴህራንን እናሞተ ዝኸይድ ዘሎ ኑክሌራዊ ውዕል ክጸልዎ ከም ዝኽእል ይግመት። ካብዚ ሓሊፉ’ውን ነቲ ኣብ ሶርያ ዘሎ ተኣፋፊ ሚዛን ሓይልታት፡ ንእስራኤል ሳዕቤን ክህልዎ ብዝኽእልን ከም ውጽኢቱ ምስ ሞስኮ ንዘለዋ ዝምድና ብዝጸሉን ክገማጥሎ ይኽእል እዩ። ክልቲአን ሩስያን ኢራንን፡ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ንጹላት ስለዝዀና ዝምድናታት ክፈጥራ ከምዘድልየን ብሩህ እዩ። ሩስያ፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረን ዘካየደቶ ወራር፡ ቍጠባዊ እገዳታት ኣጋጢምዋ እዩ፤ እቲ ኲናት ከኣ ከምቲ ዝሓሰበቶ ጽቡቕ ኣይከይደላን ዘሎ። ስርዓት ኢራን’ውን ብሰንኪ ኑክሌሳዊ መደባቱን ትሑት መዝገብ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ትሕቲ እገዳ እዩ ዘሎ፤ ኣብ ውሽጢ ሃገር’ውን ሰፊሕ ተቓውሞታት ይገጥሞ'ሎ። ክልቲኦም፡ ንቻይና ሓዊስካ ኣካል ሓደ ንእሽቶ \"ክለብ\" ምልካውያን ኰይኖም፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ዞባዊ ስትራተጂያዊ ዕላማታት ንምዕዋት ዝንቀሳቐሱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብሰፊሑ፡ ኣንጻር እቲ ብኣሜሪካ ዝዕብለል ዓለማዊ ስርዓት ደው ኢሎም ንምጥቃዑ ዝጽዕሩን እዮም። ኢራን፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ውሽጢ ሃገራ እትገብሮ ዘላ ጸጥታዊ ስጕምቲታት ድሮ ካብ ምዕራባውያን ተወሳኺ ቍጠባዊ እገዳ ወሪድዋ ኣሎ። እዚ ሕጂ ናብ ሩስያ ትገብሮ ዘላ ምትሕልላፍ ኣጽዋር ከኣ፡ ብብሪጣንያን ፈረንሳን ከም ምጥሓስ ናይቲ ኣብ 2015 ዝጸደቐ፡ ውሳነ 2231 ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ተገይሩ ይርአ ኣሎ። እዚ ድማ ናብቶም ምስ ኑክሌር ዝተኣሳሰሩ እገዳታት ክመርሕ ይኽእል እዩ። እዚ ሓድሽ ወጥሪታት፡ ነቲ ኣብ ግንቦት 2018 ብምምሕዳር ትራምፕ ዝተነጽገ ኑክሌሳዊ ንጥፈታት ኢራን ንምድራት ተበጺሑ ዝነበረ ኣህጉራዊ ስምምዕ ‘JCPOA’ እንደገና ንምምላስ ክግበር ንዝጸንሐ ጻዕሪ ዝያዳ ከዳኽም እዩ። እቲ ብትራምፕ ውዱቕ ዝተገብረ ስምምዕ እንደገና ንምምላስ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕሪ፡ እንተወሓደ ክሳብ'ቲ ብ8 ሕዳር ዝካየድ መረጻ ፍርቂ-እብረ ኣሜሪካ ደስኪሉ ኣሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግን ኢራን ኣብ ንጥፈታት ምምዕባል ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ትቕጽል ኣላ። ምዕራባውያን ኣብ ኲናት ተጸሚደን ኣብ ዘለዋሉ፡ ጉዳይ ኑክሌየር ኢራን ስግኣት ምዃኑ ቀጺሉ’ሎ። ሩስያ - ሓንቲ ካብተን ቀንዲ ኣካላት’ቲ ስምምዕ ትዅን እምበር፡ ነዛ ሓዳስ ቀራቢት ኣጽዋር ኰይናታ ዘላ ኢራን ጸቕጢ ክትገብር ዳርጋ ዘይሕሰብ እዩ። እዚ ኣብ መንጐ ሞስኮን ቴህራንን እናዐበየ ዝመጽእ ዘሎ ርክብ፡ ብዅነታት ዝድረኽ እምበር ዝዀነ ዓሚቝ ስነ-ሓሳባዊ ምትእስሳር ዝፈጠሮ ኣይኰነን። ሩስያ ምስ ኢራን ዘለዋ ርክብ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ብመጠኑ ምጥርጣራት ዝተሓወሶ እናዀነ እዩ ክመጽእ ጸኒሑ፤ እቲ ኣብ ሶርያ ዘለወን ዝተፈላለየ ህርፋን ከኣ ከም ሓደ ጽቡቕ መርኣያ ክውሰድ ይከኣል። ወተሃደራዊ ምትእትታው ሩስያ ንስርዓት ኣሳድ ኣድሒንዎ እዩ። ሓይሊ ሰብ ኢራን፡ ኣጽዋርን ምልሻታትን እውን ንህላወኡ ወሳኒ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። እታ ክሳብ ሕጂ ህላወኣ ኣብ ሶርያ ዓቂባ ዘላ ሩስያ ግን፡ ብዛዕባ’ቲ ቴህራን ዘለዋ ዞባዊ ህርፋን ንኽትርዳእ ብዙሕ ትምሰጥ ኣይትመስልን። እንተዀነ ንጽልዋ ኢራን ንምግታእ ከምቲ እስራኤል እትምነዮ ዝነበረት ዝዀነ ስጕምቲ ኣይወሰደትን። እዚ ክበሃል እንከሎ፡ ጽልዋ ኢራን ኣብ ሶርያ ንምቕልባስ ዝዓለመ መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ንምፍሻል ብዙሕ ኣይሰርሐትን። ስለዚ፡ እቲ ሓድሽ ምዕባለ ዝምድና ሩስያን ኢራንን ነዚ ክቕይሮ ይኽእል ዶ? ዝተወሰነ ሓይሊ ምክልኻል ኣየርን ሰራዊትን ሩስያ ካብ ሶርያ ኣብ ዝወጽኣሉ’ውን፡ ሞስኮ ኣንጻር ስርሒታት እስራኤል ጣልቃ ናይ ምእታው ዓቕሚ ኣሎዋ። እዚ ጉዳይ’ዚ፡ ሓደ ካብቶም እስራኤል ንዩክረይን እትገብሮ ግዝያዊ ደገፋት ዝጸሉ ቀንዲ ስክፍታታት ኰይኑ ጸኒሑ እዩ። ኣብ መጻኢ ኸ እንታይ ክስዕብ ይኽእል? ንኣብነት ሩስያ ኣምሳያ ‘ቲ ዝተገብረላ ዝያዳ ዝማዕበለን ዝተራቐቐን ኣጽዋር ንኢራን ክትህብ እንተወሲና፡ እስራኤል ከም ግብረመልሲ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዘለዋ ተራ ክጸልዎ ይኽእል ዶ? እዚ ንግዚኡ፡ ሓፈሻዊ ምርጫ እስራኤል ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን ዝኸውን ኣይመስልን። እዚ ሓድሽ ዝምድና ሩስያን ኢራንን ግን ካብቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንላዕሊ ኣብ ዓለማዊ ጉዳያት ጽልዋ ከሕድር ዘለዎ ተኽእሎ ዓቢይ እዩ።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv2pq4r3ewgo"} {"headline":"ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ብዛዕባ ምጥቃም ተዘራሪቦም - ኣሜሪካ","content":"ላዕለዎት ወተሃደራዊ መራሕቲ ሩስያ ኣብ ዓውደ ውግእ ዩክረይን ብኸመይን መዓስን ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ክጥቀሙ ከምዝኽእሉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ከምዝተዘራረቡ ክልተ ሰበስልጣን ኣሜሪካ ንማዕከን ዜና ሲቢኤስ ኒውስ ገሊጾም። እንተዀነ ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣብቲ ዝርርብ ኣይተሳተፈን ክብሉ ነቲ ኣሜሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ መደበር ተሌቪዥን ሓቢሮም። መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ብዛዕባ ምጥቃም ኑክሊሳዊ ኣጽዋር ሩስያ ዘለዎ \"ከቢድ ስክፍታ\" ከምዝዓበየ ይገልፅ። ግን ድማ እታ ሃገር ንኸምዚ ዝበለ ኣጽዋር ንምጥቃም ትዳሎ ከምዘላ ዝሕብር ምልክት ከምዘይረኣየት ኣሜሪካ ወሲኻ ትሕብር። እዚ ከኣ ምስቲ ኣቐዲሙ ሞስኮ ኑክሌሳዊ ኣጽዋራታ ከተንቀሳቕስ ከምዘይጸንሐት ዝገልጽ ገምጋማት ምዕራባውያን ትካላት ስለያ ዝሰማማዕ እዩ። ወሃቢ ቃል ሩስያ ዲሚትሪ ፔስኮቭ፡ ምዕራባውያን ሃገራት \"ኮነ ኢለን ነቲ ኣርእስቲ የጓሃህራኦ ኣለዋ\" ክብል ከሲሱ’ሎ። ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም፡ ንሩስያን ነቲ ዝተጐበጠ መሬታት ዩክረይን ንምክልኻል ኣብ ኢዶም ዘሎ ኵሉ መገድታት ከምዝጥቀሙ ብምዝራብ ንኑክሌሳውን ጸረ-ምዕራባውያንን ዘረባታቱ ኣጓሃሂሩ ነይሩ። ሩስያ ኣብ ጉዳይ ምጥቃም ኑክሊሳዊ ኣጽዋር ከምዝተዘራረበት ንዝገልጽ ጸብጻባት ማዕከን ዜና ኣሜሪካ ብዝምልከት መብርሂ ዝሃበ ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ድሕነት ዋይት ሃውስ ጆን ኪርቢ፡ \"ኣዋርሕ እናተቘጽሩ ምስ ከዱ፡ ብዛዕባ እቲ ክህሉ ዝኽእል ኵነታት ዘለና ስክፍታ እናዓበየ መጺኡ\" ኢሉ። ሩስያ ኣብ ዓውደ ውግእ ዘለዋ ዕድል እናወረደ ምስ ከደ፡ እቲ ኑክሌሳዊ ስግኣታታ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ይመስል። መንግስቲ ሩስያ፡ ዩክረይን ብ’ራድዮኣክቲቭ’ ዝተኣስረ፡ \"ረሳሕ ቦምብ\" ከምዘዳለወት ዝኸስስ ኰይኑ፡ ዩክረይንን ምዕራባውያንን ድማ ሩስያ ከምዚ ዓይነት መሳርሒ ኣብ ረብሓ እንተውዒሉ ንኪቭ ተሓታቲት ክትገብር ኣቐዲማ ኵነታት ንምምችቻእ ትፍትን ከምዘላ ይገልፁ። ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ ሰርገይ ሸውጊ ብዛዕባ እቲ ውዲት ዩክረይን ዝተባህለ ንምዝርራብ ምስ ኣብ ኣሜሪካ፡ ቱርኪን ፈረንሳን ዝርከቡ መዛንኡ ከምዝተዘራረበ ይግለፅ። ይዅን እምበር፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ንዝረኸቦ ውጽኢት ንምግላጽ ስእልታት ምስ ኣዳለወ፡ መንግስቲ ስሎቨንያ ብወገኑ፡ እቶም ምስልታት ካብ ኤጀንሲ ምሕደራ ራድዮኣክቲቭ ከምዝተወሰዱ ኣቃሊዑ። ሩስያ ዝሓለፈ ሰሙን ስሩዕ ኑክሌሳዊ ልምምድ ዘካየደትሉ ምኽንያት፡ ጸላኢ ክፍፅሞ ንዝኽእል ኑክሌሳዊ መጥቃዕቲ ግብረ-መልሲ ንምሃብ ብዝብል ከምዝነበረ ይግለጽ። ፑቲን፡ ሰረተ-እምነት (‘ዶክትሪን’) ኑክሌስ ሩስያ፡ ኣጠቓቕማ 'ቲ ኣጽዋር ነታ ሃገር ኣብ ምክልኻል ጥራይ ክውዕል ከምዘፍቅድ ጽኑዕ መርገጺ ነይርዎ። ትማሊ ሰሉስ ግን ምኽትል ሓላፊ ቤትምኽሪ ጸጥታ ሩስያ ዲሚትሪ መድቨደቭ፡ ሓደጋ ህላወ እንተጋጢሙ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ምጥቃም ከምዝህሉ ዘመልክት ካልእ ባእታ ዶክትሪን ሩስያ ኣቃሊሑ’ሎ። ዕላማ ኲናት ዩክረይን ንዅሉ እቲ ቅድሚ ሕጂ ግዝኣታት ሩስያ ዝነበረ ምምላስ ምዃኑን እዚ ንባዕሉ ድማ ንህላወኣ ሓደጋ ምዃኑን ኣመልኪቱ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ’ውን ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሞስኮ \"ወግዓዊ ኣጽዋር ብምጥቃም ወራር ኣብ ዝፍጸምን ህላወ እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐሉን እዋን ምላሽ ንምሃብ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ክትጥቀም መሰል ከምዘለዋ” ደጊሙ ኣረጋጊጹ። ሚኒስተር ምክልኻል ብሪጣንያ ቤን ዋላስ፡ ሩስያ ኣብ ዓውደ ውግእ ዩክረይን ታክቲካዊ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር እንተተጠቒማ፡ \"ከቢድ ሳዕቤን\" ከምዘኸትል ኣጠንቂቝ’ሎ። ሩስያ ኣብ ዩክረይን ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ክትጥቀም ምዃና ዝሓለፈ ሰሙን ብቢቢሲ ዝተሓተተ ሓላፊ ኣገልግሎት ስለያ ወጻኢ ሰርገይ ናይርሽኪን፡ ምዕራባውያን ዝዛረብዎም ዘረባታት ኣዝዩ ከምዘሻቕሎ ብምግላጽ፡ መራሕቲ ዩክረይን ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ንምርካብ ይፍትኑ ኣለዉ ክብል ከሲሱ።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cx971zvn1zpo"} {"headline":"ኢራን ንሩስያ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከተቕርብ ውጥን ከምዘለዋ ተገሊጹ","content":"ኢራን ንሩስያ ኣብ ዩክረይን ንእተካይዶ ዘላ ኲናት ብኣማኢት ዝግመታ ድሮናት (ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ) ከተቕርብ መደብ ከምዘለዋ ሓደ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ገሊጹ። ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት መንግስቲ ኣሜሪካ ጄክ ሱሊቫን፡ ኢራን ሓይልታት ሩስያ ነተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከመይ ከም ዝጥቀሙለን ስልጠና ንምሃብ ትዳሎ ከምዘላ ዘመልክት ሓበሬታ ንኣሜሪካ ከምዝበጽሓ ተዛሪቡ። እንተዀነ፡ ዛጊት እተን ድሮናት ኢራን ንሩስያ ብዛዕባ ምርካበን ዝገልጽ ንጹር ሓበሬታ ከም ዘየለ ወሲኹ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፡ ዩክረይን ነቲ ተካይዶ ዘላ ኲናት ንምሕጋዝ ብኣሽሓት ዝቝጸራ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሓገዝ ክግበረላ ጻውዒት ኣቕሪባ ነይራ። ኣሜሪካ ዝበጽሓ ስለያዊ ሓበሬታ፡ እቲ ሩስያ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ፡ \"ንቐጻልነት ኣጽዋራታ ኣብ ሕቶ ዘእቱ እዩ\" ዝብል ገምጋም ዘሐይል ከምዝኾነ ሚስተር ሱሊቫን ወሲኹ ይገልጽ። ቅድሚ ሕጂ’ውን ተቓለስቲ ሑቲ የመን ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ መጥቃዕቲ ንምፍጻም፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኢራን ከምዝተጠቐሙ ኣዘኻኺሩ። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣብዚ ሰሙን ናብ እስራኤልን ስዑዲ ዓረብን ቅድሚ ዝገብሮ ምብጻሕ እዩ እቲ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ነዚ ዝገለጸ። ክልቲአን ሃገራት ከኣ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ንዝኣወጀቶ ኲናት ስዒቡ ኣብ ልዕሊኣ ንዝተነብሩ እገዳታት ዝምልከት መርገጺአን ዛጊት ኣየነጸራን። እስራኤል ንኢራን ከም ዓቢይ ዞባዊ ስግኣት እያ ትርእያ። ኣሜሪካን ካልኦት ብሓዙት ሃገራትን ነቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ንዝተፈጸመ ወራር ስዒቡ፡ ብቢልዮናት ዶላራት ዝግመት ሓገዝ ኣጽዋር ንዩክረይን ኣቕሪበን ኣለዋ። ኣሜሪካ፡ “ውጽኢታዊ ዓቕሚ ምክልኻል ዩክረይን ንምጥንኻር\" እቲ ትገብረላ ሓገዝ ክትቕጽሎ ምዃና፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ጄክ ሱሊቫን ኣፍሊጡ’ሎ።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd1905vjnryo"} {"headline":"ሰሜን ኮርያ ፈተነ ኑክሌር ክተካይድ ከምእትኽእል ሓደ ኣሜሪካዊ በዓልስልጣን ኣጠንቂቑ","content":"ሰሜን ኮርያ “ኣብ ዝኾነ እዋን” መበል ሻብዓይ ፈተነ ኑክሌር ክተካይድ ከምእትኽእል ሓደ ኣሜሪካዊ በዓልስልጣን ኣጠንቂቑ። ፍሉይ ወኪል ኣሜሪካ ኣብ ሰሜን ኮርያ፡ ሱንግ ኪም፡ ነቲ መጠንቀቕታ ዝሃበ፡ ፒዮንግያን ብሰንበት ሸሞንተ ፈተነ ባሊስቲካዊ ሚሳይል ድሕሪ ምግባራ እዩ። ዝኾነ ኑክሌራዊ ፈተነ “ቅልጡፍን ተሪርን ምላሽ” ክወሃበሉ ምዃኑ ምክትል ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ዌንዲ ሸርማን ንጋዜጠኛታት ተዛሪባ። ሰሜን ኮርያ ንሓሙሽተ ዓመታት ፈተነ ኑክሌር ኣየካየደትን። እንተኾነ ግና ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ወጥሪ ክዓርግ ጸኒሑ ኣሎ። ካብ ጃካርታ፡ ኢንዶነዥያ መግለጺ ዝሃበ ኪም፡ ሰሜን ኮርያ ኣብዚ ዓመት ትጽቢት ዘይተገበረሉ ብዝሒ ፈተነ ሚሳይላት ከምዘካየደት ተዛሪቡ። ፒዮንግያንግ ኣብዚ ዓመት 31 ፈተነ ሚሳይላት ክተካይድ እንከላ ኣብ 2019: 25 ፈተነ እያ ኣካዪዳ። ንሱ ወሲኹ ሰብመዚ ሰሜን ኮርያ ታክቲካዊ ወይ ንእስ ዝበለ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ናይ ምጥቃም ድሌት ኣለዎም ኢሉ። ኪም፡ እቲ ዝቕጽል ፈተነ መኣስ ክካየድ እዩ ንዝብል ብጋዜጠኛታት ዝቐረበሉ ሕቶ፡ ኣብዚ ሰሙን’ውን ክኸውን ከምዝኽእል ብምግላጽ “ኣብ ዝኾነ እዋን” ዝብል ምላሽ ሂቡ። ምስ ደቡብ ኮርያውያንን ጃፓናውያንን ሰብመዚ ርክባት ተካይድ ዘላ ዌንዲ ሸርማን ብወገና፡ ኣብ ሲዎል ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ዝኾነ ከምዚ ዝኣመሰለ ፈተነ “ንስምምዓት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝጥሕስ” ምዃኑ ገሊጻ። “ደቡብ ኮርያ፡ ኣሜሪካን ጃፓንን ጥራሕ ዘይኮነ መላእ ዓለም ተሪርን ንጹርን ግብረመልሲ ከምዝህበሉ እኣምን” ኢላ። ሰሜን ኮርያ ዛጊት ኣብዚ ጉዳይ ዝሃበቶ ርእይቶ የለን። እንተኾነ ግና እታ ምስ መሻርኽታ ደቡብ ኮርያ ብምዃን ብሰኑይ ሸሞንተ ሞሳይላት ብምውንጫፍ ንሰሜን ኮርያ ምላሽ ዝሃበት ኣሜሪካ፡ ነቲ ጉዳይ ብዲፕሎማሲ ንምፍታሕ “ብዘይቅድመ ኩነት” ድልውቲ ከምዘላ ኪም ሓቢሩ። እቲ መልእኽቲ ናብ ሰብመዚ ፕዮንግያንግ ብውሽጣዊ መስመራት ከምእተላእኸ’ውን ተዛሪቡ።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cmmln4e9z19o"} {"headline":"ሞስክቫ ዝተባህለት ዓባይ ናይ ሩስያ ናይ ውግእ መርከብ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ጥሒላ","content":"እታ ሃገራዊ ኣርማን ሓበንን ሩስያ ዝኾነት ሞስክቫ ዝተባህለት ኣዝያ ዓባይ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ፀሊም ባሕሪ ጥሒላ። ሚኒስትር መከላኸሊ ሩስያ፡ ዘውፅኦ ሓበሬታ ከምዝሕብሮ፡ እታ መርከብ ዝሰመጠት ብዘጋጠማ ምንታጕ ምስተጎደአት ድሕሪ ሰዓታት እዩ። ድሕሪ እቲ ፍንጀራ ፅገና ክግበረላ ናብ ወደብ ሰቫስቶፖል እናተፀግዐት ከምዝነበረት እውን ተገሊፁ። ኮይኑ ግና ማዕበላት ባሕሪ ክትፃወር ስለዘይካኣለት ከምዝሰመጠት ሩስያ ኣሚና ኣላ። ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ልዕሊ 500 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ግና ናብ ካልእ መርከብ ተወሲዶም ሂወቶም ከምዘተረፈ ተነጊሩ። ዩክረይን ብወገና 'ህይወት ናይታ ውርይቲ መርከብ ዝቈረፅክዎ ኣነ እየ' ትብል ኣላ። ሞስኮ ግን ኣይተቐበለትን። ሞስኮቫ ዕድሜኣ ልዕሊ 40 ዓመት እንትኾን ኣብ ዙርያ ፀሊም ባሕሪ ሩስያ ትተኣማመነላ ብሔራዊ ኩርዓት ኮይና ትርአ ነይራ። ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ ዩክረይን ኔፕትዩን ዝተብሃለ ሚሳይል ብምትኳስ ኣብታ መርከብ ሓደጋ ከምዘስዐቡ ይዛረቡ። ኔፕትዩን ሩስያ ኣብ 2014 ንክሪምያ ምስሓዘታ ኣብቲ ከባቢ ፀሊም ባሕሪ ዘለዋ ስግኣት ንምክልኻል ዩክረይን ዘምረተቶ ተወንጫፊ ሚሳይል እዩ። ገለ ገለ ክኢላታት ወተሃደራት ግና ኔፕትዩን ሩስያ ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ መከላኸሊ መጥቃዕቲ ኣየር ሓሊፉ ንታ ሞስኮቫ ዝተብሃለት መርከብ ክወቅዕ ምኽኣሉ ይጠራጠሩ እዮም። ዝኾነ ኾይኑ ምስኮቫ ክትሰምጥ ብዛዕባ ዝገበራ ነገር ገለልተኛ ወገናት ዝበልዎ ነገር የለን። ሞስኮቫ ብሶቭየት ሕብረት ተሰሪሓ ብ1980 እኣ ስራሕ ጀሚራ። ዝተፈላለዩ ሚሳይላት ትሽከምን ልዕሊ 12 ሽሕ ቶን ትመዝንን መርከብ ኣብ እዋን ቅልውላው ሶርያ ንወተሃደራት ሩስያ ዓብዪ ሓገዝ ከምዝገበረት ይንገር። ከምዚ ዓይነት ዓባይ መርከብ ክትሰምጥ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ሞስኮቫ ፈላመይቲ እያ።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61117876"} {"headline":"ሓላፊ ጸጥታ ሩስያ ብኑክሌሳዊ ውጥረት ንምዕራባውያን ከሲሱ","content":"መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ፡ ሩስያ ኣብቲ ዝሓለፈ ለካቲት ንዩክረይን ካብ እትወርር ኣትሒዞም፡ ፕረዚደንት ፑቲን ዝርከቦም ሰብመዚ ሩስያ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ክጥቀሙ ይኽእሉ’ዮም፡ ኣብ ዝብል ልዑል ሻቕሎት ተፀሚዶም ይርከቡ። ሓላፊ ኣገልግሎት ጸጥታ ሩስያ ሰርገይ ናይሪሽኪን ግን፡ ነዚ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ዝቐርብ ዘሎ ነቐፌታታት ብምንጻግ፡ ንጠንቂ'ዚ ተፈጢሩ ዘሎ ውጥረት ንምዕራባውያን ይኸስስ። ንሱ፡ ሩስያ፡ ኣብዚ ኵናት ዘለዋ ኑክሌሳዊ ዓቕሚ ከም ዘይትጥቀም ብድፍረት ምዝራብ ትኽእል’ዶ? ንዝብል ካብ ቢቢሲ ዝቐረበሉ ሕቶ ብቐጥታ ምላሽ ኣይሃበሉን። ሰርገይ ናይሪሽኪን፡ “ብርግጽ እዚ ብምዕራባውያን ዝናፈስ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ምጥቃም ዝብል ዘረባታት የተሓሳስበና እዩ፡\" ይብል። \"ትማሊ ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ፡ ምስ ናይ ቱርኪ፡ ኣሜሪካን ፈረንሳይን መዛንኡ ብተሌፎን ተዘራሪቡ’ዩ። ዩክረይን ክትጥቀሞ ብዛዕባ ዝሓለነቶ ተኽእሎታት ምጥቃም 'ረሳሕ ኑክሌሳዊ ቦምባ' ነጊርዎም’ዩ” ክብል ወሲኹ የረድእ። ሃገራት ብሪጣንያ፡ ኣሜሪካን ፈረንሳን ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት ብልፍንቲ ኣብ ዝሃባኦ መግለጺ፡ ነዚ ብመንግስቲ ሩስያ ኣንጻር ኪቭ ዝቐረበ ርእይቶ፡ “ቅሉዕ ናይ ሓሶት ክሲ” ብምባል ኰኒነናኦ እየን። “እዚ ክሲ፡ ነቲ ኵናት ሰማይ ንምዕራግ ዝግበር ዘሎ ፈተነ ምዃኑ ምሉእ ዓለም ዝርድኦ እዩ” ብምባል፡ እተን ሃገራት ብልፍንቲ ኣብ ዝሃብኦ መግለጺ ኣፍሊጠን። ሰርገይ ናይሪሽኪን፡ ኣብ ውሽጢ ሙዝየም ምክልኻል ሩስያ ኣብ ዝተዳለወ ምርኢት’ዩ፡ ንሕቶታት ቢቢሲ ምላሽ ሂቡ። እዚ ምርኢት፡ መበል 60 ዓመት ቅልቅላው ሚሳይል ኩባ ንምዝካር እዩ ተዳልዩ። እቲ 'ቅልውላው ኩባ'፡ ሕብረት ሶቭየት ምስ ኣሜሪካ፡ ኣብ እዋን ዝሑልፍ ኲናት ን 35 መዓልታት ኣብ ወጥሪ ዝኣተዋሉ ክስተት ምዃኑ ይፍለጥ። ኣብዚ ምርኢት ስእሊ መራሒ ሕብረት ሶቭየት ሕብረት ነበር ኒኪታ ክሩስቸቭን ኣመሪካዊ ፕረዚደንት ጆን ኤፍ ኬነዲን ተሰቒሎም ይረኣዩ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ሞስኮ ኣብቲ እዋን ናብ መሻርኽታ ኩባ ዝለኣኸቶም ሚሳይላትን፡ ጆን ኤፍ ኬነዲ፡ ክረምሊን ንክተውጽኦም ጸቕጢ ዝገበረሎም ሚሳይላትን ኣብቲ ምርኢት ይረኣዩ። ሩስያ ካብ ቅልውላው ሚሳይል ኩባ እንታይ ትመሃር ዝብል ሕቶ ካብ ቢቢሲ ዝቐረበሉ ሰርገይ ናይሪሽኪን፡ “ቅልውላው ሚሳይል ኩባ፡ ፖለቲካዊ መራሕቲ ኣብ እንካን ሃባን ዝተደረኸ ዓለማዊ ጸገም ንምፍታሕ ዘኽእል ውሽጣዊ ጥንካረ ከማዕብሉ ከምዝግባእ እዩ ዘምህረና፡” ኢሉ። ኣብ እዋን ቅልውላው ኩባ፡ መራሒ ሶቭየትን ፕረዝደንት ኣሜሪካን ድሕሪ ነዊሕ ኣዕናዊ ቅልውላው፡ ኣብ ልዝብ ዝተደረኸ ውሳነ በጺሖም ነይሮም። ኒኪታ ክሩስቸቭ ኣብ ኩባ ዝነበረ ሚሳይላት ኑክሌስ  ከተውጽእ እንከላ፡ ኬነዲ ድማ ኣብ ቱርኪ ዝነበረ ሚሳይላት ኣሜሪካ ክኣልዮም ቃል ኣትዩ። እንተዀነ ድሕሪ ሽድሽተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ መራሒ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ሂብካ ንምቕባል ድሉው ምዃኑ ዘርእይ ምልክት የለን። ሕጂ እውን ኑክሌሳዊ ኵናት ክህሉ እዩ ዝብል ሻቕሎት ዓሲሉ ኣሎ። ኵናት ዩክረይን፡ ንቅልውላው ሚሳይል ኩባ ብዝተፈለየ መልክዑ ዝቐጸለ እዩ። ዝሓለፈ ለካቲት መራሒ ሩስያ ንልኡላዊት ሃገር ወሪሩ። ዋላ’ኳ ኣብ ዓውደ ግምባር ብከቢድ እንተተበድሀ፡ ሕጂ'ውን ፑቲን ኣብ ልዕሊ ዩክረይንን ኣንጻር ምዕራባውያንን ዓወት ንምሕፋስ ኣብ ውሳነኡ ዝጸንዐ ይመስል።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cq543ljvx01o"} {"headline":"ዩክረይን ዝበጽሑ ጉተረዝን ኤርዶዋንን ሓደጋ ኑክሌር ከምዘሻቐሎም ገሊጾም","content":"ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ጥቓ ማእከል ኑክሌር ዛፖሮዚዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከምዘሻቐሎ ገሊጹ። ጉተረዝ ኣብ ዩክሬናዊት ከተማ ለቪቭ ምስ ፕረዚደንት ቱርኪ ጠይብ ኤርዶጋንን ፕረዚደንት ዘለንስኪን ኣብ ዝተዘራረበሉ እዩ ነቲ ስክፍታ ገሊጹ። “ኣብ ልዕሊ ዛፖሪዚዝያ ዘጋጥም ዝዀነ ጉድኣት ርእሰ ቕትለት እዩ።” ንሓሳብ ጉተረዝ ዝደገፈ ፕረዚደንት ኤርዶዋን እውን “ካልእ ቸርኖብል” ከየጋጥም ስግኣት ከምዘለዎ ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ። ኣብ ቀረባ ሰሙናት ኣብቲ ብሩስያ ተታሒዙ ዘሎ ማእከል ኑክሌር መጥቃዕቲታት ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ ፈጻሚ እቲ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ሩስያን ዩክረይንን ሓድሕደን ይካሰሳ ኣለዋ። ሰለስቲኦም መራሕቲ ብሓሙስ ቅድሚ ምርኻቦም ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ሩስያ ኮነ ኢላ ኣብቲ ማእከል መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት ገሊጹ ነይሩ። ሩስያ ነቲ ማእከል ኑክሌር ናብ ወተሃደራዊ መዓስከር ቀይራቶ ብዝብል ዝተኸሰሰት ኰይና፡ ሰለስቲኦም መራሕቲ ሩስያ ነቲ ዞባ ብቕልጡፍ ካብ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ነጻ ክትገብሮ ተማሕጺኖም። ብኻልእ ዜና ኣብታ ኣብ ትሕቲ ሩስያ እትርከብ ሓውሲ ደሴት ክረምያ፡ ኣብ ጥቓ በልቤክ ወተሃደራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ብዙሓት ከበድቲ ነትጒታት ከምዘጋጠሙ ጸብጻባት ሓቢሮም። ኣብቲ ከባቢ ዝተወሰዱ ተንቀሳቐስቲ ምስሊታት፡ ከበድቲ ነትጒታት ዘርእዩ ኰይኖም፣ ኣመሓዳሪ 'ቲ ብሩስያ ዝቘመ መንግስቲ እታ ግዝኣት ግን ዝዀነ ጉድኣት ከምዘይወረደ ተዛሪቡ። ኣብ ማእከል ኑክሌር ዛፖሪዚዛ ዝሰርሑ ዘለዉ ዩክረይናውያን፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት እቲ ማእከል ዒላማ መጥቃዕቲ ከምዝዀነ ድሕሪ ምግላጾም እዩ ሻቕሎት ተፈጢሩ ዘሎ። ብሓሙስ ኮርፖሬሽን ኑክሌር ሩስያ ኣብ ዘመሓድሮ ገጽ ትዊተር ዝወጸ ሓበሬታ፡ ሩስያውያን ሰራሕተኛታት ኑክሊየር ነቲ ማእከል ብህጹጽ ገዲፎምዎ ከምዝወጹን ኵሎም ሰራሕተኛታት ከዕርፉ ከምዝተገበረን ይገልጽ። ዩክረይን ብወገና ሓይልታት ሩስያ ነቲ ማእከል ንምጥቃዕ ይዳለዉ ከምዘለዉ ትኸስስ። ንዘለንስኪን ፑቲንን ከራኽቦም ሓሳብ ከምዘለዎ ተሓቢሩ ዝነበረ ፕረዚደንት ኤርዶዋን፡ እቲ ጐንጺ ብዘተ ክውዳእ እዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ጠቒሱ። ዘለንስኪ ግን ነቲ ሓሳብ ከምዘይቅበሎን ሩስያ ሓይልታታ ካብ ዩክረይን ክትስሕብ ከምዘለዋን ንጋዜጠኛታት ገሊጹ።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cekn7rl5z14o"} {"headline":"ሰሜን ኮርያ፡ ዕውት ፈተነ 'ኣህጉራዊ' ሚሳኤል ከምዝገበረት ኣፍሊጣ","content":"ሰሜን ኮርያ፡ ትማሊ ሓሙስ ዕውት ፈተነ 'ሞንስተር ሚሳኤል' እናተባህለ ዝጽዋዕ ዝዓበየ ኣህጉራዊ ሚሳኤል ከም ዘካየደት ኣፍሊጣ። እቲ 'ዋሶንጎ-17 [Hwasong-17] ብዝብል መጸውዒ ኣዝዩ ዝፍለጥ ኣብ 2020 ዝተምሃዘ ኣጽዋር፡ ቅድም ክብል ንተዓዘብቲ እቲ ዓውዲ'ውን ኣገሪሙ ነይሩ ተባሂሉ። ድሕሪ 2017 እዚ ዓይነት ሚሳኤል ኣይሲቢኤም፡ [ICBM] ክትፍትን ንፈላማ ምዃኑ እዩ ዝዝረብ። ኣይሲቢኤም፡ ዝበል ዓይነት ኣጽዋር ሚሳኤል ነዊሕ ርሕቐት ዝጓዓዝ ሚሳኤል ኮይኑ፡ ኣብ ምድሪ ኣመሪካ ከም ዝበጽሕ እዩ ዝንገር። ሰሜን ኮርያ፡ እዞም ዓይነታት ኣጽዋር ከይትፍትን ዝተኸልከለት ኮይና፡ ብሰንኩ ኣብ ልዕሊኣ ሓያሎ እገዳታት ተነቢሩላ ጸኒሑ እዩ። መንግስታዊ ሚድያ እታ ሃገር ከም ዝበሎ፡ እቲ ፈተነ ካብ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡን- ብቐጥታ ትእዛዝ ዝተገብረ ኾይኑ፡ ንውግእ ኣጽዋር ኒኩሌር ዓሊሙ ዝተሰርሐ ምዃኑ እዩ ዝዝረብ። ኣብ 'ካርነጂ ኢንደውመንት ፎር ኢንተርናሽናል ፒስ'፡ ዝሰርሕ ኣንኪት ፓንዳ ዝተባህለ በዓል ሞያ፡ ኣብ ጉዳይ ኣጽዋር ኑክሌር ንሰሜን ኮርያ እዚ ዓቢ ስጉሚ ኢልዎ። \"እቲ ፈተነ ድሕሪ ነዊሕ እዋን እዩ ተኻይዱ፤ ሰሜን ኮርያ ኣብ ውግእ ኑክሌር ዓቢ ዝላ ተመጽእ ከም ዘላ ዘመልክት እዩ\" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። እቲ ትማሊ ሓሙስ ዝተፈተነ ሚሳኤል፡ ብወተሃደራዊ መገድታት ጃፓንን ደቡብ ኮርያን ክትትል ተገይርሉ እዩ። ሰብ ስልጣን ጃፓን፡ እቲ ሚሳይል፡ ንሰማይ 6 ሺሕ ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ከም ዝተወንጨፈን፡ ንሓደ ሰዓት ድሕሪ ኣብ ኣየር ጸኒሑ ኣብ ማያት ጃፓን ከም ዝዓለበን ገሊጾም። ቅድም ክብል ካብ ዝተወንጨፈ 'ዋሶንግ-15 ብዝብል ዝፍለጥ ኣብ 2017 ዝተፈተነ ሚሳኤል፡ 4 ሽሕን 500 ንሰማይ ዝተወንጨፈ ኮይኑ ካብ ሰሜን ኮርያ ክንድ'ዚ ርሕቐት ዝውንጨፍ ክፍተን ንፈለማ እዋን እዩ። ርግጽ፡ እቲ ቅድም ክብል ዝትወንጨፈ 'ዋሶንግ-15፡ እንተዝድለ ነይሩ ልዕሊ 13 ሺሕ ኪሎ ሜትሮ ንሰማይ ርሒቑ ክውንጨፍ ከም ዝኽእልን ኣብ ዝኾነ ክፍሊ ኣመሪካ ክዓልብ ምግባር ይከኣል ምንባሩን ሰብ ሞያ ገሚቶም ነይሮም። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣመሪካን መሻርኽታን ነቲ ፈተነ ኮኒኖምዎ ኣለዉ። ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ጄን ሳኪ \"ሕዚ'ውን ኣፍ ደገ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ዕወጹው ኣይኮነን። እንተኾነ፡ ሰሜን ኮርያ ነገር ካብ ዝጽሕትር ተግባራት ክትዕቀብ ኣለዋ\" ኢላ። ሰሜን ኮርያ፡ ኣብዚ እዋን ዕጽዋ ከምዚ ዓይነት ዓበይቲ ኣጽዋራት ኣብ ምህናጽ ከም ዝጸንሐትን፡ ከምተን ዓበይቲ ሰበ ኑክሌር ዝውንን ሓያላን ሃገራት ክትቁጸር ከም እትደልን ዘአንፍት ኮይኑ፡ ምናልባት 'ውን ካልእ ቅድሚ ሕዚ ዘይተርአየ ፈተነታት ኣጽዋር ኣብ ቀረባ እዋን ክረአ ከም ዝኽእል ይግመት። እዚ ድማ፡ ማሕበረሰብ ዓለምን ዝቕበሎ ኣይመስልን። ሕዚ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ካልኦት ዓበይቲ ዛዕባታት ተጸሚዱ እንተሎ'ኳ፡ ካልእ ገይራቶ ዘይትፈልጥ እንታይ ክትገብር ትኽውን ዝብል እዩ ክሪኢ ዝደሊ። ንግዚኡ ሰሜን ኮርያ፡ ቀዳምነት ዝወሃባ ስግኣት ኣይኮነትን። ድሕሪ እቲ ፈተነ፡ ርእይትኡ ኣብ መንግስታዊ ሚድያ እታ ሃገር ዘስመዐ ፕረዚደንት ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ግን \"ኣብ መጻኢ ምስ ሃጸይነት ኣመሪካ ንምግጣም ሃገሩ ኣብ ምድላዋት\" ከም እትርከብ ተዛሪቡ።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60871259"} {"headline":"ደቡብ ኮርያን ኣሜሪካን ንሰሜን ኮርያ ብምጥንቃቕ ሚሳይላት ወንጪፈን","content":"ሰሜን ኮርያ ብሰንበት ባሊስቲካዊ ሚሳይል ድሕሪ ምውንጫፋ፡ ደቡብ ኮርያን ኣሜሪካን ሎሚ ሰኑይ ሸሞንተ ሚሳይላት ተኲሰን። እታ ሃገር ክትገብሮ ንዝጸንሐት ፈተነታት ሚሳይል ኣብ ቀረባ እዋን ኣሐይላቶ ትርከብ። ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ዩን ሱክ-ዮል፡ ሃገሩ፡ ካብቲ ብሰሜን ኮርያ ዝመጽእ ምትዅታዅ ተሪር ምላሽ ክህብ ምዃኑ ተዛሪቡ። “ህይወትን ንብረትን ህዝብና ንምሕላው ዝዀነ ፈቓቕ ከምዘይህሉ ክነረጋግጽ ኢና” ኢሉ። ንሱ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሶል ኣብ ዝተኻየደ መደብ ‘ዝኽሪ ኲናት’ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰሜን ኮርያ እትሰርሖ መደባት ኑክሌርን ሚሳይልን \"ንሰላም ሓውሲ ደሴት ኮርያ ጥራይ ዘይኮነስ ንሰሜናዊ ምብራቕ ኤስያን ዓለምን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ፡\" ክብል ወሲኹ ገሊጹ። ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ብቐጻሊ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ከም ዘካይዳ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ንሰሜን ኮርያ የቘጥዕ። ሰሜን ኮርያ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕራ ሓያሎ ሚሳይላት ድሕሪ ምትኳሳ፡ ድሕሪ ዝተወሰነ ሰዓታት፡ ሰኑይ ንግሆ፡ ክልቲአን መሓዙት ሃገራት ሸሞንተ - ሓደ ካብ ኣመሪካ፡ ሸውዓተ ድማ ካብ ደቡብ ኮርያ - ካብ ምድሪ ናብ ምድሪ ዝጓዓዝ [ATACMS] ዝዓይነቱ ሚሳይል ወንጪፈን። እዚ ፍጻመ፡ ደቡብ ኮርያ ብሓገዝ ኣጽዋር ኣመሪካ፡ ቀላጽማ ተርኢ ምህላዋ ዝገልጽ ምዃኑ ተንተንቲ ይእምቱ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ናብቲ ዞባ ድሕሪ ምብጽሑ ብቕጽበት ሰሜን ኮርያ ተኸታታሊ ሚሳይላት ድሕሪ ምትኳሳ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ተመሳሳሊ ግብረ-መልሳዊ ስጕምቲ ካብ ኣመሪካን ደቡብ ኮርያን ዝተገብረ ምዃኑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እዚ ንኻልኣይ ግዜ ዝግበር ዘሎ ስጕምቲ ፍዳይ-ሕነ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር፡ ኣብ ምምሕዳር’ቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ መንግስቲ ደቡብ ኮርያ ሳሕቲ እዩ ዝነበረ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቃለ-መሓላ ዝፈጸመ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ፡ ኣብ ልዕሊ ጐረቤት ሰሜን ኮርያ ዝያዳ ተሪር ኣቀራርባ ክህልዎ ምዃኑ እዩ ዝዛረብ። እታ ተነጺላ ዘላ ኮሚኒስታዊት ሃገር፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣህጉር-ሰገር ባሊስቲክ ሚሳይልን ካልኦት ዓሰርተታት ሚሳይላት ክትፍትን፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ንፈለማያ እዩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሰሜን ኮርያ ፈተነታት ባሊስቲክን ኑክሊየርን ብምኽልካል፡ በቲ ቕድሚ ሕጂ ዝተኻየደ ፈተነታት ተሪር እገዳታት ኣጽኒዑላ እዩ። መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሰሜን ኮርያ፡ ብዛዕባ’ቲ በታ ሃገር ዝተኻየደ ፍጻመ ዝበላኦ ነገር የለን፣ እዚ ኸኣ ገለ ተንተንቲ ከም ዝብልዎ፡ እታ ሃገር ኣብቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ብዕሊ ዝነገረትሉ ለበዳ ኮሮና ኣድሂባ ብምህላዋ እዩ ይብሉ። እዚ ምውንጫፍ ሚሳይላት፡ እቲ ሰሜን ኮርያ መርኣያ ናይቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊኣ ዘለዋ ተጻባኢ ባህሪ እዩ ኢላ ዝዀነነቶ፣ ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ዘካየዳኦ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ድሕሪ ምውድኡ ሓደ መዓልቲ ድሒሩ ዝተፈጸመ እዩ። “እዘን ክልተ ሰብ ኪዳን ሃገራት ዝሃባኦ ህጹጽ ግብረመልሲ፡ ነታ ሃገር [ሰሜን ኮርያ] ብልክዕነት ንምውቃዕ ዘኽእል ድልውነት ከም ዘለወን መርኣያ እዩ፡” ይብል ፕሮፈሰር ለይፍ ኢሪክ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኢውሃ ደቡብ ኮርያ ይገልጽ። እንተዀነ፡ እዚ እዋናዊ ዓቕሚ ምክልኻል ሚሳይል ደቡብ ኮርያ፡ “ምስቲ ዝዓቢ ዘሎ ስግኣት ሰሜን ኮርያ ዝዳረግ ኣይኰነን፡” ክብል የጠንቅቕ። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ጄን ማከንዚ ብወገና፡ እዚ ብኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ዝተወስደ ስጕምቲ ሕነ ምፍዳይ እንታይ ውጽኢት ከምጽእ እዩ? ዝብል ሕቶ ብምቕማጥ፡ ንደቡብ ኮርያ ዝያዳ ውሕስነት ዝፈጥር ድዩ? ወይ’ውን ሰሜን ኮርያ ፈተነኣ ክትድርት ወይ ብዝዀነ መንገዲ ባህርያታ ክትቅይር ዘገድድ ድዩ? ክትብል ትትንትን። ንሳ ወሲኻ፡ እቲ ቀንዲ ብድሆ ኣሜሪካ ኰይኑ ዘሎ፡ ንሰሜን ኮርያ ናብ ኑክሌራዊ ዝርርብ ክትምለስ ምእማን እዩ። ኣብዚ ጉዳይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ሰሜን ኮርያ፡ ነዚ ኣመልኪቱ ዝሓለፈ ዓርቢ ካብ ደቡብ ኮርያ ኰይኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሃገሩ ምስ ሰሜን ኮርያ ንኽትዘራረብ ድልውቲ ምዃና’ኳ [ንሰሜን ኮርያ] እንተረጋገጸት፣ ሰሜን ኮርያ ግን ዝዀነ ተገዳስነት ከምዘየርኣየት ገሊጹ። ኣብ መንጐ ክልቲአን ኮርያታት ዘሎ ወጥሪ ዝያዳ ክጋደድ ከም ዝኽእል ከኣ ተንተንቲ ይገልጹ።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cz575yrdj4zo"} {"headline":"‘ንፑቲን ክነኽብሮ'ዩ ዝግባእ’ ዝበለ ሓላፊ ሓይሊ ባሕሪ ጀርመን ካብ ስልጣኑ ወሪዱ","content":"ሓላፊ ሓይሊ ባሕሪ ጀርመን ኣብ ጉዳይ ዩክረይን ብዝሃቦ ኣካታዒ ርእይቶ ንዓርሱ ካብ ስልጣን ኣልዩ። ከይ -ኣቺም ዦንባች፡ ሩስያ ንዩክረይን ክትወራ እያ ዝብል ሓሳብ ትርጉም ዘለዎ ኣይኮንን ኢሉ ነይሩ። ንሱ፤ ወሲኹ ድማ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ክኽበር ጥራይ እዩ ዘለዎ ኢሉ። ከም በዓል ኣመሪካን እንግሊዝን ዝኣመሰላ ገለ ሃገራት ኣጽዋራት ውግእ ናብ ዩክረይን ገጸን ይኣኻኽባ ኣለዋ። ጀርመን ግና፡ ነዚ ካብ ዩክረይን ዝቐረበላ ጻውዒት ሓገዝ ኣጽዋር ውግእ ኣይተቐበለቶን። ሩስያ ብተደጋጋሚ ንዩክረይን ክትወርር ትዳሎ ኣላ ዝብል ክስታት ክትነጽግ እያ ጸኒሓ። እንተኾነ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ዩክረይን ብዝምልከት ንምዕራባውያን ስግኣቱ ኣንጸባሪቑ እዩ። ብፍላይ ድማ ዩክረይን ናብ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜናዊ ኣትላንቲክ [ኔቶ] ኣባል ኮይና ከይትጽምበር ስግኣት ኣለዎ። ከምኡ’ውን እቲ ኪዳን ኣብ ምብራቓዊ ኣውሮጳ ዝገብሮ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት፡ ብቐጥታ ንሩስያ ናይ ጸጥታ ስግኣት ዝፈጥር ምዃኑ ብምሕባር፡ እዚ ደው ከብል ጠሊቡ ኣሎ። እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ እንግሊዝ፡ ፑቲን ኣብ ዩክረይን ብመስኮ ዝድገፍ መራሒ ዝግናሕ መንግስቲ ንመቛም ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ከሲሳ ኣላ። ሚስተር ዣንባች፡ ትማሊ ቀዳም ከምዝበሎ፡ ‘ተወሳኺ ጉድኣት ንዘይምብጻሕ’ ብዝብል ካብ ሓላፍነቱ ተልዒሉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ። ንሱ፡ እቲ ብዛዕባ ዩክረይን ዘንጸባረቖ ርእይቶ፡ ኣብ ህንዲ ብዓርቢ ኣብ ዝተኻየደ ሓደ ዘተ ኾይኑ፡ ጽንሕ ኢሉ እቲ ቪድዮ ኣብ ማህበራዊ ሚድያ ተጠቂዑ። ኣብቲ ተንቀሳቓሲ ምሰሊ፡ ሚሰተር ዦንባች፡ ፑቲን ብሃገራት ምዕራብ ከም ሓደ ማዕረ መራሒ እዩ ክቑጸር ዘለዎ ክብል እዩ ዝስማዕ። \"ዝግባእ ክብሪ ክንህቦ ኣለና። ብናተይ ግምት ድማ ክብሪ ዝግበኦ መራሒ እዩ” ኢሉ። ሩስያ ብ2014 ናብ ሃገራ ብዛዕባ ብሓይሊ ዝጠቕለለቶ ግዝኣት ወሽመጥ ክሪምያ፡ ‘በቃ ንሓዋሩ ከይዱ እዩ፤ ድሕሪ ሕዚ ኣይክምለስን” ክብል ድማ ወሲኹ። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን፡ ነቲ ብሚስተር ዦንባች ዝተውሃበ ርእይቶ ‘ሙሉእ ንሙሉእ ተቐባልነት ዘይብሉ’ ክብል ኮኒንዎ ኣሎ። ላዕለዋይ ሓላፊ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ፡ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰራዊት ሩስያ ናብ ዶባት ዩክረይን ምጽገዖም ኣመልኪቱ፡ ሓድሽ ጎንጺ ናይ ምልዓል ጭቡጥ ተኽእሎ ከምዘሎ ኣጠንቂቑ እዩ። ልዕሊ 90 ቶን ወተሃደራዊ ኣጽዋር ኣመሪካ ናብ ዩክረይን በጺሑ ከምዘሎ መረዳእታት ይሕብሩ። ዩናይትድ ኪንግደም ብወገና፡ ወተሃደራዊ ኣጽዋራትን ሰልጠንቲ ሰራዊትን ናብቲ ከባቢ ምልኣኻ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጣ ኣላ። ካልኦት ኣባል እቲ ኪዳን ዝኾና ምዕራባውያን ሃገራት’ውን ናብቲ ከባቢ ወተሃደራዊ ኣጽዋራትን ሰራዊትን ይልእኻ ከምዘለዋ ጸብጻባት ይሕብሩ። ሃገረ ጀርመን ግን፡ ናብቲ ከባቢ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ከምዘይትልእኽን፡ ኣብ ክንድኡ ተንቀሳቓሲ ሆስፒታል ከምእትልእኽን ኣፍሊጣ ኣላ። ጋዜጣ ዎል ስትሪት ጆርናል ከምዝጸብጻቦ ድማ፡ ኢስቶንያ ዝተብሃለት ሃገር ሰርሓት-ጀርመን ዝኾነ ኣጽዋር ናብቲ ከባቢ ከተጉዕዝ መስበለት ከምዘኸልከለት’ውን ተፈሊጡ። ሚኒስተር ምክልኻል ሃገር ጀርመን፡ ንሓደ ሃገራዊ ጋዜጣ’ታ ዓዲ ከምዝበሎ፡ በርሊን ናይ መተንፈሲ መሳርሒ ልኢኻ ኣላ። ከምኡ’ውን ከቢድ ጉድኣት ዝበጽሖም ኣባላት ሰራዊት ዩክረይን ኣብ ሆስፒታላት ጀርመን ግቡእ ክንክን ይግበረሎም ኣሎ- ኢሉ። ዩክረይን ግና፡ በቲ ካብ ጀርመን ዝተውሃበ ኣሉታዊ ምላሽ፡ ሕጉስቲ ኣይኮነትን፤ ሓድነት ምዕራባውያን ዝዘርግ ስጉምቲ ክትብለ ኮኒናቶ ኣላ። ጀርመን ኣጽዋራት ውግእ ናብ ሃገራ ከይሓልፍ ምኽልካል ሓዊሱ፡ ምትሕብባር ምዕራባውያን ተዘሕትል ኣላ ክትብል ከሲሳ ኣላ። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን፡ ዲሚትሮ ኩሌባ፡ ኣብ ትዊተሩ እቲ ጀርመን ዝሓዘቶ ቅዋም ጀርመን ንዩክረይን ንክትወርር ዘበረታትዕ እዩ ኢሉ ብተደጋጋሚ ወቒሱ።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60101997"} {"headline":"ታይዋን፡ 'ብዙሓት' ነፈርቲ ውግእ ቻይና ናብ ክሊ ኣየራ ጥሒሰን ከምዝኣተዋ ከሲሳ","content":"ታይዋን 'ብዙሓት' ነፈርቲ ውግእ ቻይና ብሰኑይ ናብ ክሊ ኣየራ ጥሒሰን ከምዝኣተዋ ከሲሳ። እቲ ብሚኒስተር ምክልኻል ታይዋን ዝተዋህበ መግለጺ እተን ክሊ ኣየር ታይዋን ጥሒሰን ዝኣተዋ ነፈርቲ ውግእ ቻይና 25 ከም ዝኾናን ካብአን ኒኩለር ዝጽዕና ነፈርቲ ውግእ'ውን ከም ዝርከበአንን ይሕብር። ነፈርቲ ውግእ ቻይና ንክሊ ኣየር ታይዋን ጥሒሰን ኣትየን ክብሃላ እዚ ናይ መጀመርታ'ኳ እንተዘይኮነ ክንድ'ዚ ብዝሐን ነፈርቲ ኣብ ሓደ እዋን ናብ ክሊ ኣየር ታይዋን ኣትየን ክብሃል ግን ናይ መጀመርታ እዩ። እዚ ሃንደበታዊ ዝተባህለ ምብራር ጭፍራ ነፍርቲ ውግእ ቻይና፡ ኣመሪካ፡ ቻይና ነቲ ኣብ ልዕሊ ታይዋን ተርእዩ ዘላ 'ተተናዃሊ' ባህሪ መጠንቀቕታ ምስ ሃበትሉ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ቻይና ንታይዋን ከም ሓንቲ ካብኣ ዝተፈንጨለት ዞባ እያ ትርእያ። እንተኾነ፡ ዲሞክራስያዊት ታይዋን ንነብሳ ከም ሓንቲ ልኡላዊኡት ሃገረ እያ እትሰምያ። ታይዋን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ እተን ንክሊ ኣየራ ጥሒሰን ዝበለተን ነፈርቲ ውግእ ቻይና፡ 18 ናይ ውግእ ነፈርቲ፣ ኣርባዕተ ከቢድ ቡንባ ዝጽዕና፣ ክልተ ጸረ ሳብ ማሪን ዝዓጠቓን ሓንቲ ቅድመ መጠንቀቕታ እትህብ ነፋሪትን ምዃነን ገሊጻ። ሚኒስትሪ ምክልኻል ታይዋን ነተን ክሊ ኣይር ታይዋን ጥሒሰን ዝበለን ነፈርቲ ውግእ ቻይና ንምምላስ ንሶም'ውን ጭፍራ ነፈርቲ ከም ዘበገሱን ሚሳኤል ኣጸዓዊዶም ከምዝነበሩ ሓቢሩ። ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ቻይና ኣብ ልዕሊ ታይዋን ተርእዩ ዘላ 'ተተናዃሊ' ባህሪ መጠንቀቕታ ምስ ሃበሉ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እያ ታይዋን ነፈርቲ ውግእ ቻይና ንክሊ ኣየራ ጥሒሰን ከም ዝኣተዋ ገሊጻ። ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ማዕከን ዜና ኤንቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ኣመሪካ ታይዋን ነብሳ ክትከላኸል እትክእል ኩሉ መዳያዊ ምድግጋፍ ከም እትገብረላ ብምግላጽ ዝኾነ ብሓይሊ ኣብ ልዕሊ ታይዋን ዝፍጽሞ ነገር ኸኣ መዘዙ ከም ዝዓቢ እዩ ብዘይቀጥታዊ መንገዲ ንቻይና ኣተንቂቑ። ተንተንቲ ፖለቲካ፡ ታይዋን በብቕሩብ ልኡላዊት ሃገር ናብ እትኾነሉ ትቐራረብ ምህላዋ ብምግላጽ እዚ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ቻይና ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ምህላዉ እዮም ዝገልጹ። መንግስቲ ቻይና ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ታይዋን ጻይ ኢንግ ዊን ጸቅጢ ክገብር'ውን ታይዋን ካብ ቻይና ክትፍለ ካብ ዘይደልዩ ወገናት ሕቶታት ከም ዝቐርበሉ እቶም ተንተንቲ ይገልጹ። ፕረዚደንት ታይዋን ጻይ ኢንግ ዊን ብወገና ታይዋን ናጽነታ ዝኣወጀትን ልኡላዊት ሃገርን ምዃና እያ እትገልጽ። ታይዋን ናይ ርእሳ ቅዋምን ሰራዊትን ዘለዋን ብዴሞክራስያዊ ኣገባብ መራሕታ ዝመረጸትን ሃገር ምዃና እያ እታ ፕረዚደደንት ትሕብር። • ኣብ 1949 ድሕሪ ዝነበረ ውግእ ሓድሕድ ቻይናን ታይዋንን ዝተፈላለየ መንግስታት መስሪተን። ቻይና፡ ታይዋን ድሩት ዓለምለኻዊ ንጥፈታትተ ክህልዋ ክትጽዕር ጸኒሓ እያ፤ ታይዋን ብወገና ኣብቲ ዞባ ማዕረ ቻይና ጽልዋ ንክህልዋ ዝከኣላ ኣብ ምግባር ትርከብ። • ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ቻይና ንታይዋን ናብ ግዝኣታ ንምምላስ ጎነጽ ዝተሓወሶ ተግባራት ከተርኢ ስለ ዝጀመረት ኣብ ሞንጎ ታይዋንን ቻይናን ዝነበረ ወጥሪ ከም ዝብኣሰ እዩ ዝንገር። • ታይዋን ብኣጻብዕ ዝቑጸራ ሃገራት እየን ከም ሃገር ኣፍልጦ ሂበንኣ ዘለዋ። እቲ ብዴሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመረጸ መንግስቲ ታይዋን ግን ምስ ብዙሓት ሃገራት ንግዳውን ዘይወግዓዊ ርክባትን ከም ዘለዎ'ዩ ዝፍለጥ። • ከም ብዙሓት ሃገራት፡ ኣመሪካ ምስ ታይዋን ወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ርክባት የብላን፤ እንተኾነ ኣመሪካ ታይዋን ነብሳ ንክተከላኸል መሰል ከም ዘለዋን ንምሕጋዛ ድሕር ከም ዘይትብልን'ያ ትግልጽ።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56728931"} {"headline":"ሩስያ ንዩክሬይን ንምውራር 70 ሚኢታዊት ምድላው ከምዝገበረት ኣመሪካ ገሊጻ","content":"ሩስያ ኣብ መጻኢ ሒደት ሰሙናት ንዩክሬይን ክትወርር 70 ሚኢታዊት ኣጽዋራታ ገጣጢማ ተዳልያ ከምዘላ ሰብ ስልጣን ኣመሪካ እሙናት ምንጭታት ጠቒሶም ተዛሪቦም። ካብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ እቲ ባይታ ብሕሱም ሓያል ቀዝሒ ከምዝተርርን ዝገለጸ ሐደ ሽሙ ዘይተገለጸ በዓል ስልጣን፡ እዚ ድማ ሩስያ ከበድቲ ኣጽዋር ክተጓዓዕዝ ምቹው ኩነታት ከምዝፈጥረላ ገሊጹ፡፡ ልዕሊ 100 ሽሕ ወተሃደራት ናብ ጥቓ ዶባት ዩክረይን ዘጸገዐት ሩስያ፡ ‘ንዩክሬይን ክተጥቅዕ እያ’ ዝብል ክሲ ኣይትቕበሎን። ሰብ ስልጣን ኣመሪካ’ውን ነቲ ክሶም መረዳእታ ከቕርቡ ኣይከኣሉን። ንሳቶም፡ እቲ ሓበሬታ ብስለያ ዝተኣከበ ምዃኑ ዝገልጹ ኾይኖም ዝርዝር ጉዳያት ግን ‘ተዃሳሓይ ሓበሬታ’ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ክገልጹ ፍቓደኛታት ዘይምዃኖም መራኸቢ ብዙሓን ኣመሪካ ጸብጺበን። እንተኾነ ሰብ ስልጣን ኣመሪካ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብሓቂ ንዩክሬይን ክወርር ከምዝወሰነ ኣይንፈልጥን ኢሎም ነይሮም፤ ሕዚ’ውን ዲፕሎማስያዊ መገዲ ክፍታሕ ተኽእሎ ከመዘሎ ብምሕባር። እቶም ስሞም ዘይተጸርሐ ክልተ ሰብ ስልጣን ኣመሪካ ንሮይተርስ ከምዝበልዎ ግና ካብ ፍርቂ ለካቲት ጀሚሩ ካሳብ ወርሒ መጋቢት ዘሎ ወቕቲ ከበድቲ ኣጽዋራት ንምግዓዝ ኣዝዩ ምቹው ኩነታት ክፈጥር ከምዝኽእል ሓቢሮም። እቶም ሰብ ስልጣን፡ ሩስያ ንዩክሬይን እንተወሪራታ ክሳብ 50 ሽሕ ሰላማዊ ዜጋታት ህይወቶም ክስእኑ ከምዝኽእሉ ገለ ጸብጻባት ጸሪሖም ኣጠንቂቖም። ከምኡ ድማ፡ እቲ መጥቃዕቲ ምስተኸፍተ ኣብ ሒደት መዓልታት ርእሰ ከተማ ዩክሬይን ዝኾነት ኪይቭ ኣብ ኢድ ሩስያ ክትውዕል ከምእትኽእልን ሚልዮናት ንክስደዱ ጠንቂ ክኸውን ከምዝኽእልን ወሲኾም ገሚቶም። እዚ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ኣውሮጳ ሓያል ቅልውላው ስደተኛታት ከየስዕብ ተሰጊኡ ኣሎ። ነቲ ኣብኡ ዓስኪሩ ዘሎ ሓይሊ ምዕራባውያን ኔቶ ንምድንፋዕ ተወሰኽቲ ሓይልታት ኣመሪካ ናብ ፖላንድ በጺሖም ኣለዉ። እቲ ፈላማይ ወተሃደራዊ ጉጅለ፡ ሎሚ መዓልቲ ሰንበት ሬስዠው ኣብ ዝተብሃለ ደቡባዊ ምዕራብ እታ ሃገር በጺሑ ኣሎ። ምምሕዳር ባይደን ቅድሚ ሒደት መዓልታት ብውሕዱ ልዕሊ 3 ሽሕ ወተሃደራት ናብ ምብራቕ ኣውሮጳ ከምዘግዕዝ ኣፍሊጡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ዩክረይንን ሃገራት ምዕራብን፡ መንግስቲ ሩስያ ወራር ክፍንው እዩ ዝብል ስግኣት ኣሻቒሉወን ይርከብ። እዚ ወጥሪ፡ ሩስያ ንክሪምያ ጎቢጣ ኣብ ገለ ክፋል እታ ሃገር ደማዊ ውግእ ዘካየደ ዕጡቕ ምድጋፋን ስዒቡ፡ ድሕሪ 8 ዓመት እዩ ዝኸውን ዘሎ። ሞስኮ መስ መንግስቲ ዩክረይን ዝተፈረመ ውዕል ሚንስክ እናተብሃለ ዝጽዋዕ ስምምዕ ኣፍሪሱ ኢሉ ትኸስስ። እቲ ውሽጣዊ ስምምዕ፡ መንግስቲ ዩክሬይን ኣብቲ ብሩስያ ዝድገፉ ዕጡቓት ተቖጻጺሮምዎ ዝነበሩ ምብራቓዊ ዞባ ሰላም ከዕስል ዝብል ሓላፍነት ዝርከቦ ኾይኑ በቲ ጎንጺ ልዕሊ 14 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ መረዳእታ ይሕብር። ብቐንዱ ድማ፡ ሩስያ ዩክሬይን ናብ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜናዊ ኣትላንቲክ ኔቶ ከይትጽንበር ትጠልብ ኣላ። እቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሩስያን ዝፍጠር ዘሎ ንሕንሕ፡ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ዝጀመረ ኾይኑ፡ ሕዚ’ውን ክልቲአን ሃገራት እቶም ኣዝዮም ከበድቲ ኣጽዋራት አብ ኢዶም ከምዝርከብ እዩ ዝዝረብ። ዩክሬይን ኣብቲ እዋን ኣካል ግዝኣት እታ ኮሚኒስት ሕብረት ሶቬት እያ ነይራ።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60277800"} {"headline":"ሩስያ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ","content":"ብቕድሚ ትማሊ ዓርቢ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ሓደ ወተሃደራዊ መደበር ዩክረይን ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብዙሓት ወተሃደራት ዩክረይን ተቐቲሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ስግኣት ኣሎ። እቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሚኮሊዮቭ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ብሰለስተ ናይ ሩስያ ሚሳይላት ዝተወቕዐ ኮይኑ ኣብቲ መዓስከር ኣስታት 200 ወተሃደራት ደቂሶም ከምዝነበሩ ሓደ ፍልፍል ዜና ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ካልእ ሓደ ምንጪ ሓበሬታ ድማ ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ጉድኣት ዝበጽሖም 57 ግዳያት ኣብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ናብዮት ይግበረሎም ከምዘሎ ገሊጹ። ዛጊድ ክንደይ ሰባት ከምዝሞቱ ብዕሊ ዝተገለጸ ነገር የለን። ሰራሕተኛታት መድሕን ህይወት ድሕሪ እቲ 30 ሰዓታት ዝወሰደ ኣለሻ ሓደ ሰብ ኣብ እግሪ ፍርስራስ ህንጻ ምርካቦም ተገሊጹ። እቲ ኣብ ፍርስራስ ህንጻ ዝተረኸበ ሰብ ብኣምቡላንስ ናብ መኣኸል ከተማ ተወሲዱ። ናይ ትማሊ ምሸት ኩነታት ኣየር ከተማ ማኮሊዮቭ ኣዝዩ ቆራር ስለዝኾነ ብህይወት ዘለዉ ሰባት ንምርካብ ኣጸጋሚ ክገብሮ ከምዝኽእል ተሰጊኡ’ሎ። ሓላፊ እቲ ክልል ቪታሊ ኪም ሩስያውያን “ብናይ ፈራሓት ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ዝደቀሱ ወተሃደራት መጥቃዕቲ ሮኬት ፈጺሞም” ክብል ነቒፉ። ማክሲም ዝተብሃለ ወተሃደር ንወኪል ዜና ኤኤፍፒ “ብውሕዱ 50 ኣስከሬናት ተረኺቦም። ክንደየኖት ኣብቲ ፍርስራስ ህንጻ ከምዘለዉ ግን ኣይንፈልጥን” ኢሉ። እቲ ህይወት ናይ ምድሓን ዕማም ሩስያ ካልእ ሓድሽ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ትኽእል እያ ኣብ ዝብል ስግኣት ውሽጢ’ዩ ዝካየድ ዘሎ። ክሬን ዝዓነወ ፍስራስ ኮንክሪትን ሓጺነ መጺንን እንዳጎተተ እንከሎ ኣብ ሓለዋ እቲ ከባቢ ዝተዋፈሩ ወተሃደራት ናይ ነፈርቲ ወይ’ውን ሚሳኤል ድምጺ ስለዝተሰምዐ ጋዜጠኛታት ንኽሕብኡ ትእዛዝ ሂቦም። ድሕሪ ዝተወሰነ ሴኮንድታት ብሸነኽ ሰሜን ምብራቕ ዘፍርሕ ነትጕ ተሰሚዑ። በቲ ዝተወሰደ መጥቃዕቲ ምኽንያት ኣብ ጥቓ እቲ መዓስከር ወተሃደራት ኣብ ዝርከብ ሓደ ድንኳን ሪጋ ሒዞም ዝነበሩ 9 ሰባት ተቐቲሎም። ቢቢሲ ኣብቲ ከባቢ ዝረኸባ ዩሊያን ብዛዕባ እቲ ክስተት ክትዛረብ እንከላ ብንብዓት ተዓጂባ ነበረት። “ክንደየናይ ዝኣክል ከምዝፈራሕና ክነግረካ ኣይክእልን። ኩላትና ኣብ ጉድጓድ ኢና እንነብር። እቲ መዓስከር ወተሃደራት ምስተወቕዐ ኩሉ ነገር ተንቀጥቂጡ” ኢላ። ኣብ ናይ ቀረባ ርሕቐት ዝነብር ኣንድሬ ኣንሲሞቭ ካብ ካልእ ከጋጥም ዝኽእል መጥቃዕቲ ሩስያ ክሃድም ይፍትን’ሎ። ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጠረ ጉድጓድ ዓሚዩቕ ካብ ምዃኑ ዝተልዓለ መኪናን ገዛን ኣብ ውሽጢ እቲ ጉድጓድ ወዲቖም ይረኣዩ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ ግዜ ኣንድሬን ስድርኡን ከም ኣጋጣም ኮይኑ ኣብቲ ከባቢ ኣይነበሩን። “እዚ ኣብ መንጎ ወተሃደራት ዝካየድ ኵናት ኣይኮነን። ሩስያውያን ንኩላትና ከጥፍኡ’ዮም ዝፍትኑ ዘለዉ” ኢሉ። ሚኮሊዮቭ ሩስያ ብሸነኽ ጸሊም ባሕሪ ገይራ ናብ ምዕራብ ንእትገብሮ ወፍሪ ገቲኣ ዝጸንሐት ኮይና እንተኾነ ግን ብሸነኽ ደቡብ እታ ከተማ ኣብ ሓደ ለይቲ ውሽጢ ከቢድ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ። ወተሃደራዊ ዕላማታት ከነጽሩ ዝተለኣኹ ሰራሕተኛታት ስለላ ሩስያ ኣብቲ ከባቢ ከምዝተረኸቡ ጸብጻባት ይሕብሩ።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60813130"} {"headline":"ጎንጺ ዩክሬይን፡ ኒዩክሌራዊ ሓደጋታት እንታይ እዩ?","content":"ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት፡ ፕረዚደንት ፑቲን ንወተሃደራቱ፡ ነቲ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ዝዓጠቐ \"ሓይልታት ምክልኻል\" ሩስያ፡ \"ኣብ ልዑል ተጠንቀቕ\" ክቐውም ኣዚዙ ኣሎ። እዚ ግን እንታይ ማለት እዩ ? ምዕራባውያን ተንተንቲ ከም ዝብሉዎ ምሉእ ብምሉእ ንጹር ኣይኰነን። ሰብ መዚ ዓዲ እንግሊዝ፡ እቲ ፑቲን ንኒዩክሌራዊ ኣጽዋር ሩስያ ኣብ ተጠንቀቕ ክቐውም ዝሃቦ ትእዛዝን ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነትን ከም ዘይሰማማዕ እዮም ዝገልጹ። ገሊኦም፡ ፑቲን ካብ ዝተሓተ ደረጃ ተጠንቀቕ ናብ ካልኣይ ደረጃ ተጠንቀቕ፡ ከምኡ እናበለ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክሰጋገር እኳ እንተኣዘዘ እቲ ሓደጋ ግን ገና ርጉጽ ኣይመስልን። ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ተጠንቀቕ ከኣ ንምንቅስቓስን ድልውነትን እቲ ኣጽዋር ዝጸሉ'ዩ። ብዙሓት ሰባት፡ ፑቲን፡ ሃገራት ምዕራብ ኑክሌራዊ ግብረመልሲ ክህባ ከም ዝኽእላ ስለ ዝፈልጥ እቲ ዘመሓለለፎ ደረጃታት ተጠንቀቕ ብቐንዱ ንመፈራርሒ ዝተዋህበ ምልክት ገይሮም እዮም ዝርእዩዎ። ጸሓፊ ምክልኻል ዓዲ እንግሊዝ በን ዋለስ፡ እቲ መልእኽቲ ተጠንቀቕ \" ንዘረባ\" ዝተባህለ ከም ዝኾነ እዩ ዝኣምን። ከምኡ ክበሃል ከሎ ግን ሓደጋ የለን ማለት ኣይኮነን። እቲ ኩነታት ብጥንቃቐ ክርአ ይግባእ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፑቲን፡ ካልኦት ሃገራት ንውጥናት ሩስያ ክዕንቅፋ ጣልቃ እንተኣትየን፡ \"ርእየንኦ ዘይፈልጣ\" ሳዕቤን ከም ዝወርደን ኣጠንቂቑ ነይሩ። እዚ ከኣ ኔቶ ብቐጥታ ኣብ ኵናት ዩክረይን ንኸይኣቱ መጠንቀቕታ ምዃኑ ተተርጕሙ። ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)፡ ኣንጻር ሩስያ ኣብ ቀጥታዊ ግጭት እንተኣትዩ ሞስኮ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ክትጥቀም ስለ እትኽእል ነቲ ነገር ንኸየጋድዶ ብቐጥታ ከም ዘይሳተፍ ብንጹር ገሊጹ እዩ። እቲ ትማሊ ሰንበት ዝተዋህበ መጠንቀቕታ ዝያዳ ቀጥታውን ናብ ህዝቢ ዘተኮረን እዩ። ስለ ምንታይ እዩ እዚ ሓደሽ መጠንቀቕታ? ፑቲን፡ እቲ ዘረባ ምላሽ ናይቲ \"ዘቘጥዕ ዘረባ\" ከም ዝኾነ ተዛሪቡ። ክሬምሊን እቲ ዝተባህለ ዘረባ፡ ነቲ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ሊዝ ትሩስ እትርከቦም ምዕራባውያን ሰበ-ስልጣን ምስ ኔቶ ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል ግጭትን ምስሕሓብን ንዝሃቡዎ ሓሳባት ዘመልክት ምዃኑ ብሰኑይ ሓቢሩ። ምዕራባውያን ሰበ ስልጣን፡ ፑቲን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ግጉይ ቅማረ ስለ ዝነበሮ ነዚ ሓድሽ መጠንቀቕታ ከም ዝሃበ ይኣምኑ። ኣብ ዓውደ ውግእ ዩክረይን ክሳዕ ክንድኡ ዝኸውን ተቓውሞ ከም ዘጋጥሞ እውን ኣይገመተን ይኸውን። ሃገራት ምዕራብ እውን ከምዚ ገይረን ብሕብረት ማዕቀብ ክገብራ ከም ዝኽእላ እውን ግምት ዝሃቦ ኣይመስልን። ስለ ዝኾነ ከኣ እዩ ነዚ ሓድሽ ኣማራጺታት ዝሓዘ ናይ ተጠንቀቕ መደረ ከስምዕ ተገዲዱ ዝኽውን። ኣብዚ ቀረባ ግዘ ጡረታ ዝወጸ ሓደ ብሪጣንያዊ ጀነራል፡ \"እዚ ምልክት ቍጥዓ፡ ብስጭትን ጓህን እዩ\" ክብል ገሊጹዎ ። ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ-ግሪንፊልድ እዚ ቋንቋ ሓደ ክፋል ናይቲ ፑቲን ኣብ ዩክረይን ንእተኻየደ ውግእ ከም መመኽነይታ ብምቕራብ፡ እቲ ተግባር ወራር ዘይኮነስ ሃገሩ ኣብ ትሕቲ ስግኣት ከም ዘላን ንገዛእ ርእሳ ክትከላኸል ከም እትደልን ዘርኢ እዩ ትብል። በዚ መገዲ እዚ ክርአ ከሎ፡ እቲ ኑክሌራዊ ተጠንቀቕ፡ ናብ ህዝቡ ንምቕራብ ዝዓለመ ክኸውን ከም ዝኽእል፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ፑቲን ሃገራት ምዕራብ ንዩክረይናውያን ወተሃደራዊ ሓገዝ ንከይህባ ንምጥንቃቕ ዝዓለመ ክኸውን ይኽእል እዩ። ካልእ ከኣ፡ እቲ ኣብቲ መግለጺኡ ከም ዝጠቐሶ፡ ንስርዓቱ ንምዕላው \"ዘይፍትሓዊ\" ዝበሎ ማዕቀብ ንኽድርት ዝገበሮ ክኸውን ይኽእል እዩ። ከምኡ ኾይኑ ግን እቲ ሓፈሻዊ መልእኽቲ፡ ብቐጥታ ምስ ኔቶ ዝተሓሓዝ ኮይኑ ከም መጠንቀቕታ ዝዓለመ'ዩ ዝመስል ። ዋላ እውን እቲ ፑቲን ዘፈራርሖ ዘሎ ነገር፡ ከም መጠንቀቕታ ጥራይ ክረአ እንተኸኣለ፡ እቲ ሓደ ሸነኽ ነቲ ምዕባለታት ብጌጋ እንተ ተረዲእዎ፡ ዘይተደልየን ሳዕቤን ከጋጥም ይኽእል እዩ። እቲ ቀንዲ ዘተሓሳስብ ነገር፡ ፑቲን ካብ ካልኦት ቀረብኡ ተገሊሉ ስለ ዘሎ፡ ሒደት ኣማኸርቱ ጥራይ እዮም ነቲ ሓቂ ክነግርዎ ፍቓደኛታት ዝኾኑ። ገሊኦም ውሳንኡ ጌጋ ከይከውን ይፈርሑ እዮም። ገለ ሰባት ፑቲን እምብዛ እንተ ንሂሩ፡ ኣብቲ መሳልል ስርርዕ ምናልባት ገሊኦም ነቲ ትእዛዝ ንከይፍጽሙ ክሕንግዱ ይኽእሉ ይኹኑ ዝብል ተስፋ ኣሎ። እቲ ኑክሌራዊ ስግኣት እኳ እንተሎ ኣዝዩ ዘሻቕል ግን ኣይመስልን። ክሳዕ ሕጂ ግን ምዕራባውያን መንግስታት ነቲ ኣብ መንጎአን ዘሎ ናይ ሓሳባት ፍልልይ ወይ ነቲ ኑክሌር ከየጋድዶ ይጥንቀቓ ኣለዋ። ሰራዊት ኣመሪካ ብ 'ዴፍኮን ዝፍለጥ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ምክልኻል ድሉውነት ኣለዎ። ሎሚ ከኣ ጸሓፊ ዋይት ሃውስ ጀን መዝኪ \"ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ንኑክሌሳዊ ተጠንቀቕ ዝቕየረሉ ምኽንያት የለን\" ኢሉ። ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ዝዓጠቓ ትሕቲ ባሕሪ ዝንቀሳቐሳ ተሽከርከርቲ እኳ እንተለዋ ንህዝቢ ግን ክትዛረበሉ ትደሊ ኣይመስልን። እቲ ዕላማ፡ ነቲ ብሩስያውያን ዝዝረብ ዘረባ ከም ውሁብ ብምውሳድ ነቲ ወጥሪ ከምዘይጋደድ ጌርካ ምብርዓን እዩ። እዚ ከም ኑክሌራዊ ቅልውላው ክውሰድ ኣይግባእን እዩ ይብሉ ሰብ መዚ ጸጥታ ምዕራብ ። ጸሓፊ ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ በን ዋለስ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ኣቃውማ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ሩስያ ዛጊት ዝዀነ ለውጢ ከም ዘይረኣየት ንቢቢሲ ገሊጹ። ይኹን እምበር እዚ ኩነታት ብጥንቃቐን ምስትውዓልን ክረአ ከምዝግባእ ጸጥታዊ ምንጭታት የረጋግጹ ። ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት፡ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ንኑክሌራዊ ኣጽዋር ሞስኮ ዝከታተል፡ ገዚፍ ብልሒ ዘለወን ናይ ምክትታል ማሺናት ተፈጢረን እየን ሳተላይታት ንዝኾነ መራኸቢታትን ካልእ ምንጭታትን ተኸታቲለን ኣብ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ሩስያ ዝኾነ ምንቅስቓስ ሰባትን ቦታን ከይግበር ተኸታቲሉ ዝሕብር መጠንቀቕታ ዝህብ መሳርሒታት ኣማዕቢለን እየን። መብዛሕትኡ እቲ መሳርሒ ገና ኣብ ቦትኡ እዩ ዘሎ። ምዕራባውያን ንወተሃደራዊ ምዕባለ ሩስያ ብቐረባ ብምክትታል ዝኾነ ለውጢ ከይመጽእ ብዕቱብ ይከታተለኦ እየን። ክሳዕ ሕጂ ከኣ ዝኾነ ምልክት ኣይተራእየን።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60552381"} {"headline":"ሰሜን ኮርያ፡ 'ዘይተለለየ ተወንጫፊ' ናብ ባሕሪ ተኲሳ","content":"ሰሜን ኮርያ ዛጊት ዘይተለለየ ተወንጫፊ ናብ ባሕሪ ከምዝተኮሰት ኣዘዝቲ ሰራዊት ደቡብ ኮርያ ሓቢሮም። እቲ ፈለማ ብዛዕባ እቲ ተግባር መግለጺ ዘውጽአ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ጃፓን ብወገኑ ባሊስቲካዊ ሚሳይል ክኸውን ከምዝኽእል እኳ እንተገለጸ ክሳዕ ሕጂ ኣይተረጋገጸን። እዚ እንተተረጋጊጹ ኣብዚ ዓመት ብፒዮንግያንግ ዝተኻየደ ፈላሚ ፈተነ ክኸውን እዩ። ሕቡራት ሃገራት፡ ሰሜን ኮርያ ፈተነ ባሊስቲካውን ኒኩለራውን ኣጽዋር ከይትገብር ከልኪሉ እዩ። እቲ ብኣዘዝቲ ሰራዊት ደቡብ ኮርያ ዝወጸአ መግለጺ \"ትካላት ስለያ ደቡብ ኮርያን ኣሜሪካን ነቲ ጉዳይ ይምርምርዎ ኣለው\" ኢሉ። ሚኒስተር ምክልኻል ጃፓን ኖቦው ኪሺ፡ እቲ ባሊስቲካዊ ሚሳይል ክኸውን ከምዝኽእል ተጠርጢሩ ዘሎ ፈተነ፡ ንኣስታት 500 ኪሜ ከምዝተወንጨፈ ምግላጹ ሮይተርስ ሓቢሩ። መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡን ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ሃገሩ ኣብ ዘይርጉእ ወተሃደራዊ ከባቢ ከምዘላ ብምጥቃስ ናይ ምክልኻል ዓቕማ ኣብ ምሕያል ምስራሕ ክትቅጽል ምዃና ተዛሪቡ ነይሩ። ንሱ ነቲ ርእይቶ ዝሃበ ኣብ ናይ መዕጸዊ ዓመት ኣኼባ ገዛኢ ሰልፊ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ፉምዮ ኪሺዳ፡ ነዚ ዳሕረዋይ ፈተነ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ሰሜን ኮርያ ኣብ 2021 ተደጋጋሚ ፈተነታት ሚሳይል ከምዘካየደት ብምጥቃስ \"ኣዝዩ ዘጣዕስ\" ክብል ገሊጽዎ። ሰሜን ኮርያ ኣብ 2021 ነቲ ኣጽዋራታ ናይ ምምዕባል መደባት ክትቅጽሎ እንከላ፡ መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ሓድሽ 'ሃይፐርሶኒክ ሚሳይል' ዝበልኦን ኣብ ባቡር ዝገጥም ባሊስቲካዊ ሚሳይልን ከምኡ'ውን ናይ ነዊሕ ርሕቐት ክሩዝ ሚሳይል ፈተነታት ኣካይዳ እያ። ባሊስቲካዊ ሚሳይል ካብ ክሩዝ ሚሳይል ንላዕሊ ብዙሕ ብርቱዕ ጽዕነት ክስከም ስለዝኽእል፡ ነዊሕ ስለዝጉዓዝን ፈጣን ብምዃኑን ዝያዳ ኣስጋኢ ተገይሩ ይውሰድ።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59877716"} {"headline":"ሰሜን ኮሪያ ስለምንታይ ኣብዚ ወርሒ ብተደጋጋሚ ሚሳይላት ኣወንጪፋ?","content":"ሰሜን ኮርያ ናብ ገማግም ማያት ጃፓን ክልተ ናይ ሓጺር ርሕቐት ተወንጨፍቲ ሚሳይላት ከምዝተኮሰትን እዚ ድማ መቐጸልታ ናይቲ ብዘይልሙድ ተካይዶም ዘላ ፈተነታት ከምዝኾነን ተገሊጹ’ሎ። እቶም ሎሚ ሰኑይ ዝተተኮሱ ሚሳይላት ካብ ጥቓ መዕርፎ ነፈርቲ ከተማ ፒዮንግያንግ ከምዝተበገሱ ሰራዊት ደቡብ ኮርያ ኣፍሊጡ። ጃፓን እውን ነዚ ኣረጋጊጻ። እዚ ምውንጫፍ ሚሳይል ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ንራብዓይ ጊዜ ዝተኻየደ ኮይኑተመዝጊቡ። ሰሜን ኮሪያ ባላስቲካዊ ኮነ ኒኩሌራዊ ኣጽዋር ፈተነ ከይተካይድ ብሕቡራት ሃገራት ዝተገደበት ኮይና፤ ማዕቐባት’ውን ከምዝተነበረላ ይፍለጥ። ንምንታይ እያ ሚሳይላት ትትኩስ ዘላ? እቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ብቐጻሊ ተካይዶ ዘላ ፈተነታት ሚሳይል ዘይልሙድ ከምዝኾነ ይግለጽ። ሰሜን ኮርያ ኣብ ፖለቲካ ሃገራ ዓብዪ ትርጉም ንዘለዎም ጽምብላት ምኽንያት ብምግባር’ያ መብዛሕቲኡ እዋን ተወንጭፍ ዝነበረት። ብተወሳኺ ድማ ኣሜሪካን ደቡብ ኮሪያን ሓበራዊ ምውንጫፍ ሚሳይላት እንተካይደን ክትቑጣዕ ከላ ትትኩስ’ያ። ዘለዋ ዓቕሚ ሚሳይላታ ንምምዕባል ከምኡ’ውን ድልውነታ ንኽተረጋግጽ ከምእተወንጭፍ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ እዞም ኣብ ቀረባ መዓልታት ተካይዶም ዘላ ፈተነታት ድማ ነዚ ከምዘረጋግጹ በዓልሞያ ዓለምለኻዊ ሰላም ኣንኪት ፓንዳ ይገለጽ። “ኪም ጆንግ ኡን ንውሽጣዊ ኩነታት እውን ኣብ ግምት የእተው እዩ፡ ቁጠባዊ ቅልውላው ከጋጥም ከሎ እቶም ዝካየዱ ምውንጫፋት ሚሳይል ይሕግዝዎ እዮም” ይብል። ሰሜን ኮርያ ብሕጽረት መግብን ክሃድእ ዘይከኣለ ቁጠባን ትናጋዕ ዘላ ሃገር ኮይና፤ እዚ ድማ ብሰንኪ እቲ ንኮቪድ ምኽንያት ብምግባር ዝተደንገገን ምስ ቻይና ንዝነበራ ንግዳዊ ርክባት ዘቋረጸን ዕጽዋን ዝሰዓበ እዩ። እቲ ንግዳዊ ርክብ ኣብ ቀረባ ናብ ዝነበሮ ክምለስ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ። ምምሕዳር ፕረዚደንት ባይደን ነቶም ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየዱ ፈተነታት ሚሳይል ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ማዕቐባት ከምዘንበረ ይፍለጥ። ሰሜን ኮርያ ድማ እቲ ሎሚ ሰኑይ ዘካየደቶ ምውንጫፍ ሚሳይላት ነቲ ማዕቐባት ዝተወሃበ “ተሪር ግብረ-መልሲ” ክኸውን ይኽእል። “ሰሜን ኮርያ ብጭዋዳ ኣሜሪካ ክትርታዕ ድልየት የብላን” ይብል ሰሜን ኮርያዊ ፕሮፌሰር ፓርክ ዎን-ጎን ካብ ኤውሃ ዉመንስ ዩኒቨርሲቲ። ቻይና ኣብዚ ጉዳይ ክትቐዑጣዕ ከምዘይትኽእል ዝገልጹ ሰብሞያ፡ እቶም ዝውንጨፉ ዘለዉ ሚሳይላት ነዓኣ ዘስግእዋን “ቀይሕ መስመር” ኢላ እትገልጾም ናይ ነዊሕ ርሕቐትን ስለዘይኮኑ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ግብረ-መልሲ ካብ ምሃብ ከምእተቖጠበት የረድኡ።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60021899"} {"headline":"ዩክረይን: መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ኣንጻር ሩስያ ምሕባሮም ገሊጾም","content":"ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ሩስያ ንዩክረይን ንምውራር ትዳሎ ከምዘላ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፡ ምስ መራሕቲ ሃገራት ኣውሮጳ ፍጹም ሓድነት ከምዝተፈጠረ ገሊጹ። ምዕራባውያን ሃገራት ነቲ ተሰጊኡ ዘሎ ወራር ሩስያ ንምምካት ናይ ሓባር ስትራተጂ ንምቕራጽ ይጓየይሉ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ፡ ጆ ባይደን ምስ መራሕቲ መሻርኽቲ ሃገራት ኣውሮጳ ብቪድዮ ዝርርብ ገይሩ። ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር እንተደኣፈጺማ፡ ዘየማትእ እገዳ ከምዝጽበያ ኣጠንቂቓ ኣላ። ሩስያ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰራዊት ናብ ዶባት ዩክረየይን ኣጸጊዓ እንተላ'ኳ፡ ነታ ሃገር ናይ ምውራር ትልሚ ከምዘይብላ እያ ትገልጽ። ኣብቲ ምስ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብቪድዮ ዝተገብረ ዝርርብ፡ መራሕቲ ዓዲ እንግሊዝ፣ ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ኢጣልያ፥ ፖላንድን ሕብረት ኣውሮጳን ተረኺቦም። ላዕለዋይ ሓላፊ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ -ኔቶ ዝኾነ ጄንስ ስቶልተንበርግ'ውን ኣብቲ ዝርርብ ከም እተሳተፈ ተገሊጹ። \"ኣዝዩ ደስ ዝብል ኣኼባ እየ ኣካይደ። ምስ መራሕቲ ኣውሮጳ ፍጹም ሓድነት ተፈጢሩ ኣሎ\" ኢሉ ፕረዚደንት ጆ ባይደን። ወሃቢ ቃል መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብወገኑ፡ \"ኣንጻር እቲ ካብ ሩስያ ዝነቅል ዘሎ ተጻብኦ፡ ዓለማዊ ሓድነት ምፍጣር ከምዘድሊ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ኣሎ\" ክብል ተዛሪቡ። ትማሊ ሰኑይ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኣስታት 8,500 ወተሃደራት ናብቲ ከባቢ ክወፍሩ ኣብ ተጠንቀቕ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ ነይሩ። ብቐጥታ ናብ ዩክረይን ወተሃደራት ንምልኣኽ ግን ኣይተተለመን ድማ ኢሉ። ከም በዓል ዴንማርክ፣ ስጳኛ፣ ፈረንሳን ኔዘርላንድስን ዝኣመሳለ ካልኦት ኣባል ሃገራት ኔቶ ድማ ተዋጋእቲ ነፈርትን ሓይሊ ባሕርን ናብቲ ካበቢ ምንቅስቓስ ክጅምራ ሃቂነን ኣለዋ። እንተኾነ ሓላፊ ፕሬስ ሴክሬታሪ ፔንታጎን፡ ጆን ኪርበይ፡ እቶም ወተሃደራት ናብቲ ከባቢ ምንቅስቓስ ዝጅመሩ ኔቶ እንተወሲኑ ወይ ድማ ኣብቲ ዶባት ብሸነኽ ሩስያ ሓድሽ ወተሃደራዊ ምዕባለ እንተተተራእዩ ምዃኑ ሓቢሩ። ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ናብ 90 ቶን ዝጽጋዕ ጠያይቲ ሓዊሱ 'ወተሃደራዊ ኣጽዋር' ኣመሪካ ናብ ዩክረይን ተጓዓዒዙ ኣሎ ተባሂሉ። ትማሊ ሰኑይ ድማ ቀዳማይ ሚነሲተር ጆንሶን፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ርእሰ ከተማ ዩክረይን ዝኮነት ኪይቭ 'መብረቓዊ' መጥቃዕቲ ንፍጻም ትዳሎ ከምዘላ ኣፋፍኖት መረዳእታ ኣለና ኢሉ። \"እቲ ዘለና ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ሩስያ ኣብ ዶባት ዩክረይን 60 ተዋጋእቲ ጉጅለታት ሰራዊት ኣጸጊዓ ኣላ፤ ኣብ ልዕሊ ኼይቭ መጥቃዕቲ ንምኽፋት ዝዓለመ ምዃኑ ኩሉ ሰብ ዝሪኦ እዩ\" ኢሉ። \"ንመንግስቲ ሩስያ ግልጺ ክንገብረሉ እንደሊ ነገር እንተሎ፡ ኣዝዩ ኣዕናዋይ ስጉምቲ እዩ ክኸውን\" ክብል ኣጠንቂቑ። ሩስያ ንኔቶ ከም ስግኣት ከምእትምልከቶን፡ ናብቲ ካባቢ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ደው ከብልን ሕጋዊ ውሕስና ከምእትደልን ገሊጻ ነይራ። ኣመሪካ ግን፡ እቲ ዘስግእ ዘሎ ጉዳይ ናይ ኔቶ ምስፍፋሕ ዘይኮነስ፡ ብሩስያ ዝህቀን ዘሎ ወራር እዩ ኢላ። ኣመሪካ፡ ኣባላት ስድራ ሰራሕተኛታት ኣብ ኼይቭ ዝርከብ ኢምባሲአ ክወጽኡ ዝሓተተት ኮይና፡ እንግሊዝ ድማ ሰራሕተኛታት ኢምባሲኣ ክተውጽእ ጀሚራ ኣላ።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60034847"} {"headline":"መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤልን ናይ ሚሳይላት ግብረመልሲ ሶርያን","content":"ካብ ሶርያ ዝተተኮሰ ጸረ-ነፈርቲ ሚሳይል፡ ኣብ ጥቓ ሓደ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ዝርከብ ምስጢራዊ መደበር ኑሌር ዓሊቡ። ዓቢ ድምጺ ነትጒ ቅድሚ ምስምዑ፡ ኣብቲ ከባቢ ናይ ተጠንቀቕ ድምጺ ከምዝተሰምዐ ጸብጻባት ሓቢሮም። እቲ ኣብ ከበቢ ዲሞና ዝተባህለ ቦታ ዝወደቐ ሚሳይል፡ ዘውረዶ መቑሰልቲ ይኹን ዕንወት የለን። ሰራዊት እስራኤል ከምዝበሎ፡ እቲ ሚሳይል ሓደ ካብቲ ንሓንቲ ነፋሪት እስራኤል ንምህራም ዝተተሱ ሓያሎ ሚሳይላት'ዩ። ሰራዊት ሶርያ ብወገኑ፡ ሚሳይላት እስራኤል ኣብ ከባቢ ርእሰከተማ ደማስቆ ዝርከቡ ኣገደስቲ ቦታታት ከምዝደብደቡ ገሊጹ። ዝበዝሑ ካብቶም ሚሳይላት ተሃሪሞም'ኳ እንተወደቑ፡ በቲ መጥቃዕቲ 4 ወተሃደራት ክቖስሉ እንከለዉ፡ \"ናይ ንብረት ዕንወት\" ከምዘጋጠመ ሓቢሩ። እስራኤል፡ ብቐጻሊ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሶርያ ዝርከቡ ምስ ኢራን ምትእስሳር ኣለዎም ዝበለቶም ዒላማታት መጥቃዕትታት ክትፍጽም ምጽንሓ ይፍለጥ። ንወተሃደራዊ ህላወ ኢራን ኣብ ሶርያ ከምዘይትጻወሮ ድማ ትገልጽ። እቲ ኣብ ምድረበዳ ነገቭ ዝወደቐ ሚሳይል ሶርያ፡ ኤስ-ኤ-5 (SA-5) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምዃኑ ሰራዊት እስራኤል ጠቒሱ። እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሶርያ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ኣብ እተካይደሉ ዝነበረት እዋን፡ ከም ዝተተኮሰ'ውን ሓቢሩ። እቲ ሚሳይል፡ ዒላማኡ ብምስሓት ካብቲ መደበር ኑክሌር 30 ኪሜ ርሒቑ ከምዝወደቐ ተፈሊጡ። ብመሰረት ዝተገብረ ኣፈናዊ መርመራ፡ ሚሳይላት ስርዓተ-ምክልኻል እስራኤል ኣብ ኣየር ከሎ ጠሊፉ ክሃርሞ ከምዘይክኣለ ተረጋጊጹ። ናይ ሚሳይል ምዃኑ ዝተነግረሉ ፍንጭልጫል ኣብ ኣፍደገ ናይ ሓደ ኣብ ደቡባዊ-ምዕራብ ዲሞና፡ ኣሻሊም ዝተባህለ ቦታ ኣብ ዝርከብ ገዛ ዓሊቡ። ካብቲ ናይ ሶርያ ሚሳይል'ድዩ ወይ ካብ ጸረ-ሚሳይል እስራኤል ግን ዝተፈልጠ የለን። \"ከቢድ ቡም ዝብል ድምጺ ሰሚዐ። ቁሩብ ጸኒሐ፡ እንታይ ከምዝወደቐ ንምርኣይ ናብ ደገ ወጺአ፡ ክረኽቦ ግን ኣይክኣልኩን\" ክትብል ነባሪት ናይቲ ከባቢ ዝኾነት ሶንያ ረቪቮ ንሓደ ሃረዝ ዝተባህለ ጋዜጣ'ታ ሃገር ተዛሪባ። \"ንጉሆ፡ ብዓልቤተይ ደገ ክወጽእ ምስ ነገረኒ፡ ፍንጫል ናይ ሮኬት ረኺብና። ዘፍርሕ'ዩ፡ ብዓልቤተይ፡ ክሳብ ምሸት'ዩ ኣብ ኣፍ-ደገና ዝሰርሕ፡ መጠንቀቕታ ኣይነበረን፡ ዋላ ሓንቲ ኣይነበረን\" ድማ ትብል። ሰራዊት እስራኤል፡ ነቲ ሚሳይል ሶርያ ዝተተኮሰሉ መደበርን ካልኦት ሚሳይላት ዝርከብሎም ቦታታትን ብምድብዳብ ግረብመልሲ ከምዝሃበ ሓቢሩ። \"ናይ እስራኤል ጸላኢ፡ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ጎበጣ ዝርከብ ጎቦታት ጎላን ናይ ሚሳይላት ማዕበል ብምትኳስ ኣብ ልዕሊ ኣብ ከባቢ ደማስቆ ዝርከቡ ዒላማታት ናይ ኣየር ወራር ፈጺሙ'ሎ። ኣሃዱ ጸረ-ሚሳይል ሰራዊትና፡ ነቶም ሚሳይላት ብምጥላፍ ንዝበዝሑ ኣውዲቑዎም\" ክብል ሓደ ወተሃደራዊ ምንጪ ንመንግስታዊ ማዕከን ዜና ሶርያ ተዛሪቡ። ንኩነታት ሰባዊ መሰላት ዝከታተል ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ጉጅለ ከምዝበሎ፡ ኣብ ዱማይር ዝተባህለ፡ ኣስታት 40 ኪሜ ሰሜናዊ-ምብራቕ ካብ ርእሰከተማ ደማስቆ ዝርከብ መዓስከር ጸረ-ሚሳይል ዒላማ መጥቃዕቲ እስራኤል ከምዝኾነን፡ ሓደ ወተሃደራዊ መኮንን ሶርያ ከምዝተቐትለን ገሊጹ። ዱማይር፡ መኽዘን ኣጽዋር ናይቶም ብኢራን ዝድገፉ፡ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ሶርያ ተሰሊፎም ዝዋግኡ ዕጡቓት ምልሻ ምዃኑ ይእመን። እስራኤል፡ ኣብቲ ዒላማ መጥቃዕቲ ሶርያ ዝኾነ ዲሞና፡ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከምዝሰርሐት ይግለጽ። ይኹን እምበር፡ እስራኤል፡ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ኣለዋድዩ ወይስ የብላን ንዝብል ሕቶ፡ \"ዘይንጹርነት\" ዝብል ፖሊሲ ብምኽታል ኣይትነጽጎ ኣይትእመነሉ። እስራኤል፡ ካብቶም ብኢራን ዝድገፉ ሓይልታት ክመጻ ዝኽእል መጥቃዕቲ ብምስጋእ፡ ኣብ ዲሞናን ኣብታ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ከተማ ኢላት ዝርከብ ስርዓተ-ምክልኻል ሚሳይላት ከም ዘሐየለቶ ጸብጻባት ይገልጹ። ኣብ መንጎ'ተን ዓይኒን ሓመድን ዝኾና ኢራንን እስራኤልን ሓያል ወጥሪ ከምዘሎ ይፍለጥ። ኢራን፡ ነቲ ኣብ መጀመርታ'ዚ ወርሒ ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብ ናታንዝ ዝርከብ መደበር ምምዕባል ኑክሌር ዝተኻየደ መጥቃዕቲ እስራኤል ከምዝፈጸመቶ ብምኽሳስ \"ሕነ\" ክትፈዲ ምዃና ኣጠንቂቓ ነይራ። እስራኤል ብዛዕባ'ቲ ፍጻመ ዝሃበቶ መግለጺ'ኳ እንተዘየለ፡ ሓደ መደበር ራድዮ እስራኤል ግን፡ እቲ መጥቃዕቲ ብትካል ስለያ ሞሳድ ዝተፈጸመ ስርሒት ምዃኑ ንገለ ምንጭታት ብምጥቃስ ኣቃሊሑ ነይሩ።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56849292"} {"headline":"ዩክረይን ስለምንታይ'ያ ነፈርቲ ኣብ ክሊ ኣየራ ከይበራ ትሓትት ዘላ?","content":"ዩክረይን ብሰንኪ እቲ ምስ ሩስያ እተካይዶ ዘላ ኵናት፡ ግዝኣታ ካብ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ሩስያ ንምድሓን ኢላ ምዕራባውያን ንክሊ ኣየራ ካብ በረራ ነፈርቲ ናጻ ክኸውን ትሓትት ኣላ። እንተኾነ ኔቶ ንሕቶ ዩክረይን ቅቡል ኣይገበሮን። ምኽንያቱ ድማ ነቲ ኩነታት ናብ ዝኸፍአ መገዲ ከምርሖ ይኽእል እዩ ዝብል ገምጋም ስለዘለዎ እዩ።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60568321"} {"headline":"ኵናት ዩክረይን፡ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ዩክሬናውያን ንጸላኢ ክዋግኡ ተማሕጺኑ","content":"ፕረዝደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ዩክሬናውያን ኣንጻር ወተሃደራት ሩስያ ዘካይድዎ ዘለዎ ውግእ ክቕጽልዎ ጸዊዑ። ንሱ ኣብቲ ናብ ሎሚ ለይቲ ዘውግሕ ካብ ርእሰ ከተማ ኪቭ ዝሃቦ መደረ ዩክሬናውያን ኣንጻር ወረርቲ ዝገጥሙሉ ግዜ ሕጂ ከምዝኾነ ጠቒሱ። እቲ ፕረዝደንት “ናብ ደገ ወጽእኹም ነዞም ሰይጣዉንቲ ካብ ከተማታትና ክትሰጉዎም ኣለኩም” ኢሉ። ጎና ጎኒ ድማ ፕረዝደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ንዩክረይን ነፈርቲ ውግእ ከቐርብ ምሕጽንታ ቀሪቡ ኣሎ። ሰበስልጣን ኣመሪካ ምስ መራሕቲ ፖላንድ፡ ዩክረይን ካብ ዋርሶው ነፈርቲ ውግእ ብዛዕባ ክትረኽበሉ እትኽእል ዕድላት ይዝትዩ ከምዘለዉ ይእመን። ፖላንድ ኣብ ግዜ ሶቭየት ዝነበራ ዓቕሚ ነፈርቲ ውግእ ቀስ ብቐስ ካብ ጥቕሚ ወጻእ እንዳኾነ ስለዝመጽአን ፓይለታት እታ ሃገር ንኣብ ኣመሪካ ዝፈረያ ነፈርቲ ውግእ ከብርሩ ዘኽእል ስልጠና ስለዘይወሰዱን፡ ፖላንድ ንዩክረይን ክትሕግዝ ድያ ዝብል ጉዳይ ኣጠራጣሪ ኮይኑ’ሎ። ሩስያ ንዩክረይን ካብ እትወርር ዓሰርተ ሓደ መዓልቲ ዝሓዘ ኮይኑ እቲ ውግእ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል እታ ሃገር ይቕጽል’ኳ እንተሎ ሓይልታት ሩስያ ንቀንዲ ከተማ ኬርሶን እዮም ተቖጻጺሮም። ማእኸል ኒኩሌራዊ ኣጽዋር ዝኾነት ዛፖሪዛህዛሃ’ውን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሩስያ ኣትያ።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60637320"} {"headline":"ኣመሪካ ንፈተነ ሚሳኤል ጸረ-ሳትላይት ሩስያ ኮኒና","content":"ኣመሪካ ኣብ ዓለም ለኻዊ መደብር ህዋ (ኣይኤስኤስ) ንዘለዉ ጠፈርኛታት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ 'ሓደገኛን ዘይሓላፍነታውን' ፈተነ ሚሳኤል ኣካይዳ ንዝበለታ ሩስያ ኣውጊዛ፡፡ ሩስያ በቲ ፈተነ ሚሳኤል ናይ ባዕላ ሳተላይት ዘዕነወት ኮይና፡ እቶም ጠፈርተኛታት ካብቲ ስብርባራት ንምህዳም ኣብ መንኮርኩር ክሕብኡ ተገዲዶም እዮም፡፡ ኣብዚ እዋን ኣብቲ ኣብ ህዋ ዝርከብ ማእከል ኣርባዕተ ኣመሪካውያን፣ ሓደ ጀርመናውን ክልተ ሩስያውያንን ብጠቕላላ ሸውዓተ ጠፈርተኛታት ኣለዉ፡፡ እቲ ናይ ጠፈር ማእከል ኣብ 420 ኪሜ ብራኸ እዩ ዝዘውር፡፡ ወሃቢ ቃል ስቴት ዲፓርትመንት ነድ ፕራይዝ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ \"ሎሚ ሩስያ ኣብ ናይ ባዕላ ሳትላይት ሓላፍነት ዝጎደሎ ኣዕናዋይ ፈተነ ሚሳኤል ጸረ-ሳትላይት ኣካይዳ\" ክብል ወቒሱ፡፡ \"እቲ ፈተነ ናይ ኩለን ሃገራት ድልየት ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ ልዕሊ 1500 ብዓይኒ ዝረኣዩን ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ደቀቕትን ዑደታዊ ስብርባራት ፈጢሩ ኣሎ\" ኣማሓዳሪ ናሳ ቢል ኔልሰን እውን በቲ ተግባር ከምዝሰምበደ ተዛሪቡ። ኣብ ናይ ጠፈር በረራታት ነዊሕ ታሪኽ ዘለዋ ሩስያ፡ 'ንዜጋታታን ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ናብ ሓደጋ ዘእቱ ተግባር ክትፍጽም እያ ኢልካ ትጽቢት ኣይግበርን\" ኢሉ፡፡ ኤጀንሲ ጠፈር ሩስያ ሮስኮስሞስ ግና ነቲ ዝቐረበ ክሲ ብምንኣስ ነታ ሳትላይት ካብ ዑደት እቲ ማእከል ናይ ምውጻእ ተግባር ብዝተሓሰበሉ መገዲ ከምዝሳተለጠን እቲ ማእከል ኣብ ስሩዕ ስርሑ ከምዘሎን ኣፍሊጡ፡፡ እቲ ሓደጋ ከየብጸሐ ዝሓለፈ ኣካላት ካብታ ኣብ 1982 ዝተልኣኸት ናይ ሩስያ ናይ ስለላ ሳትላይት ኮስሞስ-1408 ዝመጸ እዩ። እታ ልዕሊ ሓደ ቶን እትምዘን ሳትላይት ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት እያ ምስራሕ ደው ኣቢላ። ነቲ ተግባር ‘‘ሓደገኛን ዘይሓላፍነታውን’’ ክብል ዝኾነኖ ወሃቢ ቃል ነድ ፕራይዝ፡ ‘‘ነቲ ዘይሓላፍነታዊ ተግባሮም ምላሽ ንምሃብ ኣመሪካ ምስ መሓዙታን ሓገዝታን ክትሰርሕ እያ’’ ኢሉ፡፡ እቲ ፈተነ ድሕነት ህዋ ኣብ ግምት ዘየእተወ እዩ ክብል ዝተቓወመ ጸሓፊ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዩናይትድ ኪንግደም በን ወላስ ብወገኑ ‘‘ ካብዚ ፈተነ ዝተፈጠሩ ስብርባራት ኣብ ምህዋር ክጸንሑ እዮም፤ እዚ ድማ ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ንናይ ህዋን ሰብኣዊ በረራታትን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ’’ ኢሉ፡፡ ተመሳሳሊ ፈተነታት ሓሊፉ እዩ ዝካየድ፤ ከባቢ ኣየር ህዋ ስለዝብክል ግና ከቢድ ዝኾነ ውግዘት እዩ ዘስዕብ፡፡ ቻይና ኣብ 2007 ምስራሕ ደው ዘበለት ናይ ኩነታት ኣየር መቆጻጸሪት ሳትላይት ኣብ ዘዕነወትሉ እዋን፡ ልዕሊ 2000 ዝረኣዩ ስብርባራት ኣብ ህዋ ተበቲኖም እዮም፡፡ እዞም ስብርባራት ናብ ህዋ ኣብ ዝግበሩ በረራታት ዕንቅፋት ከምዝፈጥሩ እዩ ዝግለጽ፡፡","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59301962"} {"headline":"ሩስያ ኣብ ውግእ ዩክረይን ንመጀመርታ ግዘ ሃይፐርሶኒክ ዝተባህለ ኒኩሌር ከምዝተጠቐመት ኣፍሊጣ","content":"ሰራዊት ሩስያል 'ሃይፐርሶኒክ ባልስቲክ ሚሳይል' ተኵሱ፡ ኣብ ምዕራባዊ ዩክረይን ንዝነበረ ዓቢይ ትሕተ መሬታዊ መኽዘን ኣጽዋር ከም ዘዕነወ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ይገልጽ።እዚ መግለጺ ርጕጽ እንተዀይኑ፡ ሩስያ ንፈለማ ዝተጠቕመትሉ ካብ ነፈርቲ [ብፍላይ ሚግ-31] ዝትኰስ ኪንዛል ወይ ዳገር ባሊስቲክ ሚሳይል ክኸውን እዩ። ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ሩስያ ኣብቲ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ካብ ፍጥነት ድምጺ ዝውንጨፍ ሚሳይል ሱፐርሶኒክ ንዝገበረቶ ወፍሪ ብተደጋጋሚ ክዛረብ ተሰሚዑ እዩ። እቲ ስታስቲካዊ ሓበሬታ ድንቂ እዩ፤ ብመሰረት ሓበሬታ ሰበስልጣን ሩስያል ኪንዛል፡ ክሳብ 2000 ኪ.ሜ [1240 ማይልስ] ርሕቀት ብ ልዕሊ 6,000 ኪ.ሜትር ፍጥነት ኣብ ሰዓት ዕላማኡ ክሃርም ዝኽእል ሚሳይል እዩ። እዚ ግን፡ ካብቶም ካልኦት ሚሳይላትን ከበድቲ ኣጽዋርን ዝያዳ ዕንወት ከውርድ ዘኽእሎ ድዩ?\"ኣነ፡ ክሳብ ክንድኡ ኣገዳሲ ገይረ ኣይርእዮን እየ፡\" ይብል ጀም ኣክቶን ዝተባህለ ኣብ ትካል ካርኒጊ ንኣህጉራዊ ሰላም ክኢላ ፖሊሲ ኑክሊየር። \"ሩስያ ካብዚ ሚሳይል ሱፐርሶንክ እትኸስቦ ክፈልጥ ኣይክእልን እየ።\" ፕረዚደንት ፑቲን፡ ሩስያ ብሚሳይል ሱፐርሶኒክ ኣብ ዓለም መራሒት ኰይና ከም ዘላ ዝገልጽ ዝሓለፈ ታሕሳስ መናውራ ገይሩ ነይሩ። እዚ ሚሳይል ኣብ ጕዕዞኡ ኣንፈቱ ክቕይር ስለዝኽእል ከኣ ብቐሊሉ ንኽልለ ኣሸጋሪ እዩ። ሩስያ፡ ካብ ዶብ ሩማንያ 100 ኪ.ሜ ጥራይ ዝርሕቕ፡ ኣብ ደሊያቲን ዝተባህለት ኣብ ደቡብ ምዕራባዊት ቁሸት ዩክረይን ንዝነበረ መኽዘን ኣጽዋር ብሚሳይል ከም ዘጥቅዐት ዝነግር ቪድዮ ዘርጊሓ'ላ። \"እዚ ሓደ ምልክት ተዋስኦ እዩ። [ሩስያ] ተጠቒማትሉ እንተዀይና'ውን፡ ከም ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ፍሉይ ተረኽቦ ክንወስዶ እዩ ዝግባእ፣ ምኽንያቱ ሩስያ ከምዚኦም ዓይነት ሚሳይላ ብዙሕ የብላን።\" ይብል ዶሞኒክ ኩነርቶቫ ካብ ማእከል መጽናዕትታት ጸጥታ ዙሪክ። ፕረዚደንት ሩስያ፡ ነዚ ኣካል ናይቲ ዘይተጸዓዲ ኢሉ ዝገልጾ፡ ንሓይሊ ምክልኻል ጸላኢ ክድምስስ ዝኽእል ሚሳይል ኪንዛል ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣቢሉ እዩ ጋህዲ ገይርዎ። ካልኦት ሚሳይላት ሃይፐርሶኒክ፡ ዚርኮን ን ኣቫንጋርድን ኰይኖም፡ ብፍጥነትንብ ብርሕቀትን ዝበለጹ እዮም። ኪንዛል፡ ኑክሌር ከወንጭፍ ዝኽእል ሚሳይል እዩ። እዞም እዋናውያን ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ፡ ሚግ-31 ነፈርቲ ኲናት ናብቲ ንብዙሓት ከተማታት ኤውሮጳ ኣብ ሸፈነኡ ከእቱ ዝኽእል ካሊኒንግራድ ተላኢኸን ነይረን። እንተዀነ፡ እዚ ኣብዚ መኽዘን ኣጽዋር ተገይሩ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ካበይ ከም ዝተፈነወ ዝዀነ ኣመት ዛጊት የለን። \"እዚ፡ ናብ ምዕራባውያን ዝቐንዐ መልእኽቲ እዩ ዘለዎ። ምኽንያቱ ፑቲን፡ ብሰንክ'ቲ ምዕራባውያን ንዅሉ ኣጽዋራት ናብ ዩክረይን ከግዕዝዎ ዝሕልንዎ ዘለው ተቘጢዑ እዩ፡\" ክብል ኪነርቶቫ ንቢቢሲ ይገልጽ። \"እዚ ብርግጽ ዝተፈጸመ ብዛዕባ ምዃኑ ዘጥራጥር እዩ፣ ስለዚ ከም ሓደ ነጥበ መቐይሩ ክውሰድ ኣይከኣልን። \"ጀምስ ኣክቶን ብወገኑ ከም ዝበሎ፡ ኪንዛል፡ እቲ ንነፈርቲ ውግእ ክጥዕም ተባሂሉ ዝተመሓየሸ ሚሳይል ኢስካንደር ክኸውን እዩ ዝሕሰብ ነይሩ። ኢስካንደር-ኤም፡ ኲናት ዩክረይን ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ብኣጋር ከቢድ ብረት ሩስያ ክትኰስ ጸኒሑ እዩ። ሽሕ'ኳ ኢስካንደር-ኤም ካብቲ ብነፈርቲ ዝትኰስ ዝሓጸረ ርሕቀት ዝሽፍን እንተዀነ፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዩክረይን፡ ሩስያ ዳርጋ ዅሉ ዝነብራ ሚሳይል ኢስካንደር ኣብ ቀዳሞት ዕስራ መዓልታት ናይቲ ኲናት ከም ዝወድኣቶ ይገልጽ። ሓደ በዓል መዚ ምክልኻል ኣሜሪካ ብዓርቢ ከም ዝበሎ፡ ሩስያ ካብ 24 ለካቲት ኣትሒዛ 1080 ሚሳይላት ከም ተኵሳ'ላ። \"ዝገርም ኣሃዝ እዩ፣ ካብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበራ ትሕዝቶ ድማ ዓቢይ ስልዒት እዩ፡\" ኣክቶን፡ ነቶም ኣየራዊ መጥቃዕቲታት ዘይተመራሕቲ ቦምባታት ሩስያ ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ይገልጽ። \"እቶም ብልክዕ ዕላማኦም ዝሃርሙ ኣጽዋራት እናተወድኡ ይኸዱ ክህልዉ ይኽእሉ እዮም።\"","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60811987"} {"headline":"ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ ኢራናዊ መዘናኡ ክራኸብ ቅሩብ ምዃኑ ተዛሪቡ","content":"ፕረዚደንት ኢራን፡ ሓሰን ሮሃኒ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ዘንበረቶ ማዕቀብ ከየልዓለት ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ክራኸብ ከም ዘይደሊ ኣፍሊጡ። ትራምፕ ትማሊ ሰኑይ፡ ኣብ ዋዕላ ሃብታማት ሃገራት ጉጅለ 7 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢራን ክራኸብ ቅሩብ ምዃኑ ኣተንቢሁ ነይሩ። እንተኾነ፡ \"ብዘይ እዚ መፍትሕ'ዚ እቲ ማዕጾ ክፍታሕ ኣይክልን'ዩ\" ክብል ፕረዚደንት ኢራን ሓሰን ሮሃኒ መሊስሉ። ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ሃገሩ ካብቲ ምስ ኢራን ዝተበጸሐ ውዕል ኑክሌር ድሕሪ ምስሓባን፡ ማዕቀብ ድሕሪ ምንባራን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ወጥሪ ሰፊኑ ይርከብ። ንሱ፡ ሓድሽ ስምምዕ ተገይሩ፡ ኢራን ንዘይተወሰነ ግዜ ኣብ ልዕሊ ፕሮገራም ኑክሌር ኢራን ገደብ ክግበርን፡ ኢራን ሚሳይላት ካብ ምምዕባል ክትቁጠብን'ዩ ዝጠልብ ዘሎ። ኢራን ብወገና፡ ሓንሳብ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ'ዩ ብምባል፡ ነቲ ጠለብ ነጺጋቶ'ላ። እተን ኣካል ናይቲ ኣብ 2015 ዝተፈረመ ስምምዕ ዝኾና፡ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ[ይ]፡ ጀርመን፡ ቻይናን ሩስያን ነቲ ስምምዕ ክትግበር'የን ዝጽዕራ ዘለዋ። እንተኸነ ግን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተነቢሩ ዘሎ እገዳ፡ ንኢንዱስትሪ ነዳዲ እታ ሃገር ከቢድ ሃስያ ኣውሪዱሉ ስለዘሎ፡ እተን ሃገራት ነዚ ጸገም'ዚ ከፋኹሳላ እንተዘይኪለን፡ ኢራን'ውን ካብቲ ስምምዕ ጠቕሊላ ብምውጻእ፡ ምምዕባል ኑክሌራዊ ፕሮገራም ከትቅጽል ምዃና ከተጠንቅቕ'ያ ጸኒሓ። ድሮ'ውን፡ ከም ግብረመልሲ ናይቲ ማዕቀብ፡ ነቲ ዝኣተወቶ መብጽዓታት ከም ዝጠሓሰቶ ብወግዒ ገሊጻ ነይራ። ቁጠባ ኢራን ተሃስዩ ስለዘሎ፡ ናብ መኣዲ ልዝብ ክመጹ'ዮም ዝበለ ትራምፕ፡ ክሊኦም መራሕቲ ዋዕላ ከካይዱ ተኽእሎ ከም ዘሎ'ዩ ገሊጹ። ፕረዚደንት ፈረንሳ ብወገኑ፡ ንፕረዚደንት ሮሃኒ ብቴለፎን ረኺቡ፡ እቲ ጉዳይ ብዝርርብ ክፍታሕ ከም ዝኽእል ከም ዝሓበሮ ተዛሪቡ ነይሩ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ሃንደበት ኣብቲ ዋዕላ ዝካየደሉ ዝነበረ ቦታ ምርካቡ'ውን፡ ናይ ተስፋ ምልክት'ዩ ተባሂሉ'ሎ።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49490154"} {"headline":"ቱርኪ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሶርያ ብደብዳብ ነፈርቲ ዝተሰነየ መጥቃዕቲ ጀሚራ","content":"ሰራዊት ቱርኪ ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶርያ ዓሪዶም ዘለዉ ኩርዳውያን ሓይልታት መጥቃዕቲ ጀሚሩ። እቲ ወታሃደራዊ ስርሒት ብናይ ኣየር መጥቃዕትን ደብዳብ መዳፍዓትን ዝተሰነየ ምዃኑ ጸብጻባት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። እቲ ደብዳብ ንሰላማውያን ሰባት ዒላማ ዝገበረ'ዩ ክብሉ እውን እቶም ኩርዳውያን ከሲሶም። ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኦርዶጋን ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ንኩርዳውያን ምሊሻ ኣውጺእካ ''ውሑስ ዞባ'' ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ ክብል ገሊጹ። እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብኣየር ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ ብውሑዱ ክልተ ሰለማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ እቲ ብኩርዳውያን ተቓለስቲ ዝቘመ ዴሞክራስያውያን ሓይልታት ሶርያ ገሊጹ። ኣሜሪካ ብወገና ነቲ ብቱርኪ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሶርያ ዝውሰድ ዘሎ መጥቃዕቲ ፍቓድ ከምዘይሃበት ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐዮ ገሊጹ። ንሱ፡ ነቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝተወስደ ምስሓብ ሰራዊት'ውን ደጊፍዎ። እዞም ኩርዳውያን ተቓለስቲ፡ ነዚ ናይ ቱርኪ ድፍኢት ከም ዝምክትዎ ገሊጾም ኣለው። ኩርዳውያን ዕጡቓት ኣብ ጐኒ ኣሜሪካ ተሰሊፎም ነቶም ግበረ-ሽበራውያን ጉጅለ ዳዕሽ ኣብ ምድምሳስ ዓቢ ተራ ከምዝተጻወቱን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተቓለስቲ ዳዕሽን ኣዝማዶምን ኣብ ቤት-ማእሰርትን መዓስከራትን ኣሲሮም ይሕልውዎም ከምዘለው ይግለጽ። ኣብዚ እዋን፡ እቶም እሱራት ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዘለው ዝተነጸረ ነገር የለን። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሰራዊት ኣሜሪካ ካብቲ ዓሪዶምሉ ዘለው ቦታ ክወጽኡ ድሕሪ ምእዛዙ'ዩ እቲ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣጋጢሙ። ውሳነ ፕረዚደንት ትራምፕ ከኣ ብማሕበረሰብ ዓለም ብሰፊሑ ይኹነን ኣሎ። ቅድም ኢሉ ኣብ ዝወጸአ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ቱርኪ፡ ነቲ ተወጢኑ ዘሎ ምስሓብ ወተሃደራት ኣሜሪካ ካብ ሶሪያ መዝሚዛ፡ ነቶም ብኣሜሪካ ክድገፉ ዝጸንሑ ኩርዳውያን ሓይልታት እንተድኣ ኣጥቂዓ፡ ኣሜሪካ 'ንቱርኪ ብቑጠባ ከተዕንዋ'ያ' ክብል ኣፈራሪሑ ነይሩ። ምኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ብሪጣንያ ዶመኒክ ራኣብ ብወገኑ፡ እዚ ብቱርኪ ዝተወስደ መጥቃዕቲ \"ከቢድ ሻቕሎት\" ከምዝፈጠረሉ ድሕሪ ምግላጽ፡ ሰላም እቲ ዞባ ከይዝረግን፡ ሰብኣዊ ስቓይ ከጋድድን ከምኡ'ውን ነቲ ኣንጻር ዳዕሽ ዝተወስደ ስጉምቲ ከየሰናኽልን ሻቕሎቱ ገሊጹ። ዴሞክራስያውያን ሓይልታት ሶርያ፡ ኣብ ዝተፈለለየ ቤት-ማእሰርታት፡ ልዕሊ 12000 ጥርጡራት ግበረ-ሽበራውያን ጉጅለ ዳዕሽ ሒዞሞ ከምዘለው ይሕብሩ። ካብኦም ከኣ እቶም 4000 ናይ ወጻኢ ዜጋታት እዮም።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49996484"} {"headline":"ጋምቤላ፡ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ብናይ መንግስቲ መኪና ክዛወር ኣብ ቀይዲ ውዒሉ","content":"ኣብ ክልል ጋምቤላ ብናይ መንግስትን ውልቀሰባትን መኻይን ዝተጽዓነ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ውግእ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓለ ፖሊስ ኮሚሽነር እቲ ክልል ኦፒያንግ ኦቻን ንቢቢሲ ገሊጹ። ነታ ናይ መንግስቲ መኪና ዘሽከረርክር ዝነበረ ናይቲ ክልል ኣፈ ጉባኤ ዘዋሪ መኪና ከምዝኾነ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ጸጥታ ክልል ጋምቤላ ኣይተ ኦታዎ ኦኮት ሓቢሩ። እቲ ዘዋሪ፡ መኪንኡ ንሓጻቢ ሂቡ ምስተንቀሳቐሰ፡ እቲ ሓጻቢ ካብ ፍቓድ እቲ ሹፌር ወጻኢ ሒዝዋ ከምዝኸደ ይዛረብ። ኣይተ ኦታዎ ኦኮት ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ እቲ ኣብ ቀይዲ ዝወዓለ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ውግእ 12 ክላሽንኮቫትን ልዕሊ 12 ሽሕ ጥይትን እዩ። ብኻሊእ ሸነኽ፤ እቲ ኣብ ቁጽጽር ዝወዓለ ናይ ውልቀሰብ መኪና፡ ወጋሕታ 12 ሰዓት ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓለ እቲ ምክትል ሓላፊ ኣረዲኡ። ዛጊድ ሰለስተ ጥርጡራት ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ዕለት 13 ታሕሳስ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ተፈሊጡ። እቲ ኣጽዋር ውግእን ጠያይትን ኢታንግ ኣብ ዝተብሃለ ኬላ ከምዝተትሓዘ'ውን ኣይተ ኣታዎ ተዛሪቡ። ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቀይዲ ዝወዓለ ሓዊሱ፤ ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ 59 ጠመንጃታት ከምዝተትሓዘ ካብ ቢሮ ጸጥታ እቲ ክልል ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት። እቲ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ወግእ ካብ ደቡብ ሱዳን ከምዝኣትው እቲ ፖሊስ ኮሚሽነር ኣብሪሁ። ካብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፤ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣባበ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጰያ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ውግእ ክዘዋወርን ገሊኡ ኣብ ቀይዲ እንትውዕልን ይረአ።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50912663"} {"headline":"ኣብ ሩስያ ከቢድ ባርዕ መኽዘን ኣጽዋር ኣጋጢሙ","content":"ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መኽዘን ኣጽዋር ብዘጋጠመ ባርዕ፡ ነበርቲ 14 ዓድታት ካብ ዝነበሩሉ ከባቢ ክወጽኡ ተገዲዶም። በቲ ሓደጋ ብውሑድ 6 ሰባት ክቖስሉ እንከለዉ ካልኦት ሓሙሽተ ድማ ኣብ ሆስፒታል ሓገዝ ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ። ድሮ እውን ኣዋጅ እቶ እቶ ተኣዊጁ ኣሎ። እቲ መኽዘን ሚሳይላትን ካልኦት ከቢድ ብረትን ከምዝነበሮን ኣስታት 70 ሰራሕተኛታት ምክልኻል ባርዕ ናብቲ ቦታ ከምዝተዋፈሩ ጸብጻባት የመልክቱ። ትማሊ ረቡዕ ብሳዕሪ መሮር ዝጀመረ ባርዕ ናብቲ መኽዘን ልሒሙ ነቲ ኣጽዋር መሰባርዖ ከቢድ ድምጺ ነትጒ ኣኸቲሉ። መራኸቢ ብዙሃን ሩስያ ኣብ ዝዘርግሕኦ ምስሊ፡ ዕሙር ጸሊም ትኪ ንሰማይ ክዓርግ ይረአ። ኣስታት 2ሽሕ ዝኾኑ፡ ኣብ ክሊ ሓሙሽተ ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝነብሩ ነበርቲ ካብቲ ቦታ ከምዝገዓዙ ሰብ መዚ ተዛሪቦም። ወኪል ዜና ሩስያ 'ሪያ'፡ ኣመሓዳሪ እቲ ግዝኣት ኒኮላይ ሊዩቢሞቭ \"ነቶም ሰባት ካብቲ ከባቢ ንምውጻእ ዘኽእል ኩሉ ስራሕ ተሰሪሑ እዩ\" ምባሉን እቲ ሓዊ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተወን ጸብጺቡ። ዓሚ እውን ኣብ ሳይቤሪያ ኣብ ዝርከብ መደበር ኣጽዋር ብዘጋጠመ ባርዕ ኣስታት 10ሽሕ ሰባት ካብ ዝነብሩሉ ከባቢ ክወጽኡ ተገይሩ ነይሩ።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54460281"} {"headline":"ኣብ ርእሰ ከተማ ሊባኖስ፡ ቤሩት ብዝተፈንጀረ ነታጒ ብውሕዱ 10 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ርእሰ ከተማ ሊባኖስ፤ ቤሩት ብዘጋጠመ ሓያል ምፍንጃር ነታⶔ ሓያሎ ሰባት ከምዝተጎደኡ ተገሊጹ። ነቲ ሓደጋ ስዒቡ፡ ብውሕዱ 10 ሰባት ከምዝሞቱ ድማ ሮይተርስ ጸብጺቡ። እቲ ኣብ ወደባዊ ክፋል እታ ከተማ፡ ዘጋጠመ ኣዝዩ ዘሰንብድ ዝተብሃለ ነታጒ ዛጊድ መንቀሊኡ ኣይተፈለጠን። በቲ ነታጒ ሓያሎ ሰባት ከምዝተጎድኡን ብዙሕ ንብረት ከምዝዓነወን ሚኒስቴር ጥዕና ሊባኖስ ሃማድ ሓሰን ገሊጹ። እቲ ሓደጋ፡ ኣብ ድሮ ፍርዲ ናይቶም ኣብ 2005 ዓምፈ ንቀዳማይ ሚኒስቴር ሊባኖስ ነበር ራፊቅ ሓሪሪ ብምቕታል ዝተጥርጠሩ ኣርባዕተ ሰባት እዩ ኣጋጢሙ። እቲ ሓደጋ ኣዝዩ ዘሰንብድ ደምጺ ከምዝነበሮ መሰካኽር ዓይኒ ዝተዛረቡ ኯእኖም፤ ክሳብ ኣብ 240 ኪሎሜትሮ ርሕቀት ከምዝተሰምዓ ተሓቢሩ። እቲ ምፍንጃር ዝተፈጸመሉ ህሞት ብቪድዮ ካሜራ ከም ዝተቐድሐ ዘርኢ'ዩ። ብተወሳኺ ኣብ ከባቢ መንበሪ ገዛ ቀዳማይ ሚኒስተር ራፊቅ ሓሪሪ ካልኣይ ምፍንጃር ከምዝጋጠመ ተገሊጹ። ቀዳማይ ሚኒሰተር ሊባኖስ ሓሰን ዳያብ፡ ጽባሕ ሃገራዊ መዓልቲ ሓዘን ኮይኑ ክወዕል ኣዊጁ ኣሎ።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53644560"} {"headline":"ህቦብላ ሀረኬን፡ ኑክሌራዊ ቦምባ ብምትኳስ ምብታኑ ዘሎ ተኽእሎ","content":"ነቲ 'ሀረኬን' ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓያል ህቦብላ ብኩነክሌራዊ ቦምባ ክድምሰስ ከም ዘይክእል ኣመሪካዊ መጽናዕታዊ ትካል ሓቢሩ። ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ኣመሪካ ብቐጻሊ ዕንወት ዘስዕብ 'ሀረኬን' ብኑክሌራዊ ቦምባ ክዕገት ዝኽእል እንተ ኾይኑ ንሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት እታ ሃገር ተወኪስዎም ዝብል ጸብጻባት ድሕሪ ምግውሑ'ዩ እቲ ትካል ርእይቶ ሂቡ። ሃገራዊ ትካል ውቅያኖስን ጠፈርን (NOAA) ኣመሪካ፡ ውጺኢቱ \"ሓደገኛ\" ከም ዝኸውን ገሊጹ። እቲ ሓሳብ ግን ንመጀመርታ ግዜ ኣይ ኮነን ዝለዓል ዘሎ። ትራምፕ፡ ነቲ ሓሳብ ከም ዘልዓሎ ምስ ተፈልጠ 'ምጽኦታት' ዝብል ናይ ትዊተር ሃሽታግ ብዙሓት ይቀባበልሉ ኣለዉ። ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ስለምንታይ ናብ ዓይኒ ናይቲ ኣብ ማእከል ውቅያኖስ ዝለዓል ህቦብላ ኑክሌራዊ ቦንባ ዘይትትኩሰሉ ዝብል ሕቶ ከም ዘቕረበ ኣክሲዮስ ዝተባህለ መርበብ ዜና ጸብጺቡ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ተኽእሎ ማያውን ጠፈራውን ኣከባቢ ዝከታተል ትካል፡ ዋላ'ውን እቲ ቦምባ እንተዝትኮስ፡ \"ነቲ ህቦቡላ ክቕይሮ ኣይክእልን ይኸውን\" ኢሉ። \"እቲ ካብኡ ዝምንጩ [ሓደገኛ ኑክሌራዊ] ጨረር ግን በቲ ኣውሎ ንፋስ ተደፊኡ ብቐሊሉን ቀልጢፉን ናብ መሬታዊ ከባቢታት ክዝርጋሕ ይኽእል'ዩ\" ክብል ኣጠንቂቑ። እቲ \"ራድዮ ኣክቲቭ\" ተባሂሉ ዝጽዋዕ በካሊ ባእታ፡ ንሂወት ወዲሰብን እንስሳታትን ሓደገኛ ኮይኑ ብቐሊሉን ኣበ ሓጺር እዋንን ክጠፍ ዘይክእል ምዃኑ ይፍለጥ። ንህቦብላታት ደው ንምባል ነተጒቲ ኣድማዕቲ ዘይኮኑሉ ምኽንያት፡ እቲ ዝድለ ጸዓት ዓቢ ብምዃኑ'ዩ። ካብቲ ህቦቡላ ዝለዓል ጸዓት ማዕረ ሓደ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 20 ደቓይቕ ዝትኮስ 10 ሜጋቶን ኑክሌራዊ ቦምባ ዝዳረግ'ዩ ተባሂሉ ይግመት። ዋላኳ እቲ መካኒካዊ ጸዓት ናይቲ ቦምባ ምስ ናይቲ ማዕበል ዝዳረግ እንተኾነ፡ \"ናብ ሓደ ኣብ ርሑቕ ውቅያኖስ ዝርከብ ውሱን ቦታ ንፍርቂ ናይቲ ጸዓት እኳ ንህራም ዓቢ ግድል'ዩ\" ይብል እቲ ትካል። \"ነቶም ናኣሽቱ ትሮፒካዊ ማዕበላት ናብ ደረጃ ሀረኬን ከይዓበዩ እንከለዉ፡ ምጥቃዖም ንባዕሉ'ውን ተስፋ ዘለዎ ኣይኮነን።\" \"ኣብ ማዓሙቕ ኣትላንቲክ ኣብ ዓመት ኣስታት 80 ከምዚኦም ዝበሉ ማዕበላት ይፍጠሩ፡ ካብዚኣቶም ኣስታት ሓሙሽተ ጥራይ'ዮም ናብ ደረጃ ሀረኬን ዝዓብዩ። ኣየናይ ማዕበል ከምዝዓቢ ኣቐዲምካ ክትፈልጠሉ እትኽእል ኣገባብ ድማ የለን።\" ንሀረኬን ብቦምባ ምቅዋሙ ዝብል ሓሳብ ካብ 1950ታት ዝጀመረ ኮይኑ፡ ብሓደ ናይ መንግስቲ ተመራማራይ ዝቐረበ ምንባሩ ይፍለጥ። ኣብ 1961፡ ሓላፊ ቢሮ ኩነታት ኣየር ኣመሪካ ዝነበረ ፍራንሲስ ሪቸልደርፈል፡ ኣብ ሓደ ኣኼባ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ \"ሓደ መዓልቲ ኑክሌራዊ ቦምባ ኣብ ልዕሊ ኣብ ርሑቕ ባሕሪ ዝርከብ ሀረኬን ክነቱግ ዘሎ ተኽእሎ ሕሰቡ\" ኢሉ ነይሩ። ቤት ጽሕፈቱ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ዝሕዝ ግን \"እንታይ ንገብር ከም ዘለና ኣብ እንፈልጠሉ እዋን'ዩ\" ኢሉ ተዛሪቡ ምንባሩ'ውን ናሽናል ጂኦግራፊክ መስኪሩ። ትካል ውቅያኖስን ከባቢ ኣየርን ኣመሪካ ከም ዝብሎ እቲ ሓሳብ፡ ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወቕቲ ናይቲ ህቦቡላ ዝለዓል'ዩ። እቲ ኣትላንቲካዊ ወቕቲ ህቦብላ ሀረኬን ካብ 1 ሰነ ክሳብ መወዳእታ ሕዳር ዝጸንሕ'ዩ። ኣብ ውሽጢ'ተን ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ኣብ መስከረም፡ ዋዒ ባሕሪ ኣብ ዝለዓለ ደረጅኡ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ዝበርትዐ ህቦብላ ይኽሰት። ኣብዚ ወርሓት'ዚ፡ ካብ ልሙድ ወጻኢ ማዕበላትን ህቦብላታትን ከም ዝረአ እቲ ትካል ኣጠንቂቑ'ሎ። ዝተፈላለየ ኣስማት ዘለወን ካብ 10 ክሳብ 17 ዝበጽሓ ማዕበላት ከም ዝህለዋ ድሕሪ ምትንባይ፡ካብ 5 ክሳብ 9 ካብአን ናብ ደረጃ ህቦብላ ሀረኬን ከም ዝበጽሓ ይግምት። ብፍላይ እተን ካብ 2 ክሳብ 4 ዝበጽሓ ህቦብላታት ሀረኬን እተን ዝሓየላ ከም ዝኾና'ውን ጠቒሱ። ኣብዚ ዓመት እዚ ክልተ ኣስማት ዝተዋህበን ማዕበላት ድሮ ማዕቢለን'የን። ዳርጋ ኩለን ሓያላት ዝተባህላ ህቦብላታትን ሀረኬናትን ምስ ዝኽሰታሉ ወቕቲ ብምዝማድ ብፍሉጥ ኣስማት ይፍለጣ።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49474098"} {"headline":"ኣርሜንያን ኣዘርባጃንን ብሞንጎኝነት ኣሜሪካ ተዂሲ ከቋርጻ ተሰማሚዐን","content":"ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ኣብቲ ንክልቲኤን ዘሰሓሕብ ዘሎ ዞባ ናጎርኖ ካራባክ ብሞንጎኝነት ኣሜሪካ ኣብ ተዂሲ ናይ ምቁራጽ ስምምዕ በጺሐን። እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ዝወጽአ ሓበሬታ፡ እዘን ክልተ ሃገራት ድሕሪ ሓያል ጻዕሪ ዝሓተተ ክትዕ ናብ ስምምዕ ከምዝበጽሓን እቲ ስምምዕ ካብ ሎሚ ሰኑይ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኸውን ይገልጽ። ኣርሜንያን ኣዛርባጃንን ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ'ውን ክልተ ግዜ ቶኵሲ ናይ ምቁራጽ ስምምዕ ገይረን ነይረን እየን። ኣብ ሞንጎ እዘን ክልተ ሃገራት 27 መስከረም እዩ ኣብቲ ጎቦታት ዝበዝሖ ዞባ ናጎርኖ ካራባክ ኵናት ተወሊዑ። እቲ ብሰንበት ኣሜሪካ፡ ኣርሜንያን ኣዛርባጃንን ዘወጽአኦ ሓባራዊ መግለጺ ነቲ 'ሰብኣዊ ምቁራጽ ተዂሱ' ዝሰመየኦ ስምምዕ ካብ ሰኑይ ንግሆ ስዓት ሸሞንተ ብኣቆጻጽራ እቲ ዞባ ተግባራዊ ከምዝኸውን ጠቂሰን። እቲ ስምምዕ፡ ካብ ኣሜሪካ ምክትል ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ስቴፈን በይጋን፡ ሚኒሰትር ጉዳያት ወጻኢ ኣርሜንያ ዞህራብ ምናተሳካንያን ከምኡ'ውን ምኒሰትር ጉዳያት ወጻኢ ኣዘርባጃን ጀይሁን ባይሮሞቭ ድሕሪ ዝገብርዎ ዘተ'ዩ ተኸቲሙ። ብዓርቢ ሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳያት ኣርሜንያን ኣዘርባጃንን ምስ ማይክ ፖምፕዮ ንምዝርራብ ናብ ዋሽንግተን ከምዝገሹ ተገሊጹ ነይሩ እዩ። ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ብሰንበት ንኽልቲአን ሃገራት ናይ እንቋዕ ሓጎሰኩም መልእኽቲ ብትዊትር ጽሑፉ። እዘን ሃገራት ኣቐዲመን'ውን ብሞንጎኝነት ሩስያ ክልተ ግዜ ተዂሲ ናይ ምቁራጽ ስምምዕ ከቲመን እኳ እንተነበራ፡ ፕረዚደንት ኣዘርባጃን ኢልሃም ኣሊየቭ ሩስያ ኣብ ጉዳይ እዘን ሃገራት ወተሃደራዊ ምትእትታው ከይትገብር ብምጥንቓቕ ነቲ ውዕል ጥሒስዎ። ናጎርኖ ካራባክ ኣካል ኣዛርባጃን ምዃኑ'ዩ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዘለዎ እንተኾነ ኣብ ትሕቲ ኣርሜንያ እዩ ዝርከብ። እቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ኣብቲ ዞባ ዝጀመረ ኵናት ናብ ምሉእ ቦታታት ብምልሓም እዘን ክልተ ሃገራት ኣብ ንሓድሕደን ከተማታት ክድብድባን እጉድ ዝኾነ ወተሃደራዊ ቅመማትን ክጥቀማ ተራእየን እየን። ክሳብ ሕጂ ካብ ክልቲኤን ሃገራት ኣሽሓት ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ኣለዉ።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54688375"} {"headline":"ግብረ ሽበራ፡ \"እስልምና ንክርስቶስን ድንግል ማርያምን ዝቕበል ተጻዋሪ ሃይማኖት እዩ\"","content":"ዓለምና ዳርጋ ዕለታዊ፡ መጥቃዕቲ ግብረ ሽበራን ሞትን መቑሰልትን ሰላማውያን ሰባት፡ ኣዴታትን ህጻናትን ካብ እትሰምዕ ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ኣፍጋኒስታን ብዝተፈጸመ ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ፓኪስታን ብዝተፈንጀረ ኖታጒ፡ ኣብ ሞቓዲሾ ብዝተጻወደ ተተኳሲ፡ ኣብ ሲርያ ብዘጋጠመ ደብዳብ ኣሸበርቲ፡ ኣብ ኣብያት ትምህርቲ ናይጀርያ ብጉጀለ ቦኮሓራም ዘጋጠመ ጭውያ፡ ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ልዕልነት ጸዓዱ ብዝስመዖም ውልቀ ሰባት ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ ትምህርትን ማእከላት መዘናግዕን ዝፍጸም ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ እናተባህለ መዛረቢ ማዕከናት ዜና ዓለም ኮይኑ ኣሎ። \"ሓራምዝ ኣብ ዝበኣስሉ ጎልጎል፡ ዝህሰ ሳዕሪ እዩ\" ከምዝበሃል ኣብ ኩሉ እቲ ብግብረ ሽበራ ዝግበር መጥቃዕትን ኣሸበርቲ ንምህዳን ዝካየድ ስርሒትን ብቐረባ ዝቕዘፉን ዝጉድኡን ቖልዓ ሰበይቲ ዝርከቡዎም ሰላማውያን እዮም። ካብዚ ብምብጋስ እዩ እምበኣር ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ን21 ነሓሰ ከም ዓለማዊ መዓልቲ ግዳያት ግብረ ሽበራ ክትበዓል ወሲኑ የኽብራ ኣሎ። ንምዃኑ ግብረ ሽበራ ማለት እንታይ ማለት እዩ? መን እዩ'ኸ ትርጉምን መግለጽን ዝህቦ ንዝብል ሕቶ፡ ተንታኒ ፖለቲካ ማእከላይ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓብደራሕማን ሰይድ፡ \"ግብረ ሽበራ ማለት፡ ፖለቲካዊ ጥሙሕ ኮነ ስነ ሓሳብካ ንምትግባር፡ ኣንጻር ሰብን ንብረትን፡ መንግስትን ህዝባዊ ትካላትን ዘይሕጋዊ ጎነጽ ምጥቃምን ንህዝቢ ምስንባድን\" ማለት እዩ ክብል ይገልጾ። ገዲም ጋዜጠኛ ብርሃነ ወልደገብሪኤል ከኣ፡ መን እዩ እዚኦም ኣሸበርቲ እዚኦም ከኣ ኣይኮኑን ክብል ስልጣንን ሓይልን ዘለዎ ንዝብል ዛዕባ \"ኩሉ ሓያል እየ ዝብል ደምበ ክልተ ወገን፤ በብመነጽሩን ረብሓኡን እዩ ዝርእዮ\" ብምባል እቲ ንናጽነት ዝቃለስ ዝነበረ ህዝባዊ ግንባር ንኣብነት ብስርዓት ደርግ ከም ኣሸባሪ ይረአ ምንባሩ ይሕብር። ኣብ እዋን ዝሑል ኩናት፡ ሓይልታት ምዕራብን ምብራቕን ብስነ-ሓሳብ ነንዝስዕበአን ሃገራት ብምድጋፍ ነተን ኣንጻር ዝኾና ሃገራት ወይ ንናጽነትን መሰልን ዝቃለሳ ዝነበራ ውድባት ከም ኣሸበርቲ ይርእየአን ነይረን። እቲ \"ጸላኢ ጸላኢየይ ዓርከይ\" ብዝብል ኣተሓሳስባ ኣብ ክልተ ቀጽርን ደምበን ዝምደብ ዝነበረ ሓይልታት ከኣ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ከም ጸላኢ ወይ ኣሸባሪ እዩ ዝርእዮ። ንኣብነት ይብል ዓብደራሕማን ሰይድ፡ እቶም ኣብ መወዳእታ ሰማንያታት ንኣፍጋኒስታን ከይዶም ኣንጻር ሕብረት ሶቬት ዝዋግኡ ዝነበሩ ሓይልታት ከም ጀጋኑ ክድረፈሎም ጸኒሑ፡ እቲ ቀጽሪ ምስ ፈረሰ ግን እቶም ጀጋኑ ኣሸበርቲ ዝተቐጽርሉ ኩነታት ከምዝነበረ ይዝክር። ግብረ ሽበራ ግን ድሕሪ መጥቃዕቲ ማናቱ ህንጻታት ኒውዮርክ 11 መስከረም 2001 እዩ ብዝያዳ ተወዓዊዑ። እቲ ስርሒት፡ ንኣልቃዒዳ ዝበሃል ጉጀለ ብዝመርሕ ኦሳማ ቢንላደን ብዝተባህለ የመናዊ ዝመበቆሉ ተወላዲ ስዑዲ ዓረብ እዩ ተቐናቢሩ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ንጉስ ዓብደልዓዚዝ ጂዳ ናይ ኢኮኖሚክስን ምሕደራ ቢዝነስን ዘጽነዐ ቢንላደን \"እስላማዊ መሬት ብምዕራብ ይውረር ኣሎ\" ኢሉ ብምሕሳብ ኣንጻር ኣመሪካን፡ ኣይሁድን መሻርኽተንን \"ቅዱስ ኲናት\" ኢሉ ዝሰመዮ ጂሃዳዊ ውግእ ከምዝኣወጀ ሰነዳት ይሕብሩ። ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ንቢላንደን ክትሃድን ዘበናዊ ኣጽዋርን ኣሻሓት ሰራዊትን ሒዛ ኣብ ናብ ኣኽራናት ኣፍጋኒስታን ወፊራ። ን10 ዓመታት መመላእታ ከኣ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ዋጋ ከፊላ፡ ኣሎ ንዝበሃል በዓትታትን ዝጠርጠረቶ መዓስከራትን ደብዲባ ግን ንቢንላደን ኣይረኸበቶን። ኣብ መወዳትኡ ብ02 ግንቦት 2011 ድሕሪ ዓሰርተ ዓመታት ወፍራ፡ ኣብ ፓኪስታን ረኺባ ቀቲላቶ። ኣሰር ሬስኡ መታን ከይርከብ ከኣ ኣብ ብቐብሪ ባሕሪ ከምዘፋነወቶ ይንገር። መንግስታት፡ ብሓይልን ጎነጽን ንዝገጥመን ጉጅለ ከም ኣሸባሪ ከጠምቐኦ ምርኣይ ልሙድ እዩ። ይኹን እምበር \"እቲ ብጎነጽ ኮነ ሓይሊ፡ ድምጹን ሕቶኡን ዘልዕል ወገን ፍትሒ ዝደልን ዝጠልብን እዩ\" ይብል ብርሃነ ወልደገብሪኤል፡ ኩሉ ኣሸባሪ እዩ ዝተባህለ ውድብን ጉጅለን እንታይ እዩ ምኽንያቱ ተባሂሉ ብዝርዘር ክረአ ከምዝግበኦ ብምግላጽ። ዓብደልራሕማን ኣልሰይድ እውን፡ ጉዳይ ሽበራን ንዕኡ ዝወሃብ መግለጽን ንኹሉ ብማዕረ ዘዕግብን ዘእምንን ከምዘይኮነ ብምዝኽኻር\" ሸየጥቲ ኣጽዋር ሓይልታት እውን ጎንጽን ኩናትን ኣብ ምጉህሃር ናይ ገዛእ ርእሰን ተራ ከምዘለወን ክዝከር ይግባእ\" ይብል። ኣብ ኩናት ሶርያ ንኣብነት ኣብ ሓደ ናይ ዘተ መኣዲ ካብ ዝሳተፋ ሓሙሽተ ናይ ቀውፊ ስልጣን ዘለወን ሓያላን ሃገራት ሕብረት ሶቬት ንመራሕ ሶርያ ኣልኣሳድ ክትድግፍ እንከላ ኣመሪካን ካልኦት ሓይልታትን ግን ኣንጻር ኣሳድ እየን ተሰሊፈን። ኣብቲ ምልኪ ሶርያ ንምዕላው ዝተኻየደ ዝበሃል ኩናት ግን ብኣመሪካ ከይተረፈ ኣብ መሳርዕ ግብረ ሽበራ ዝተሰርዑ ከም ኣይሲስን ኣልቃዒዳን ዝኣመሰሉ ጥሩፋት ሓይልታት ከምእተሳተፉ ጸብጻባት ይሕብሩ። ካብዚን ካልእን ብምብጋስ ከኣ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ግብረ-ሽበራ ዝበሃል ቃል እናኽለዓል ዳርጋ ምስ ሃይማኖት ምስልምና እዩ ዝተሓሓዝ። ብርሃነ ወልደገብርኤል ግን \"እቲ ተግባር ብዕላምኡን ትሕዝትኡን ተነጺሩ ክረአ እምበር ብድብድቡ እስላማዊ ዝንባለ እዩ ተባሂሉ ክረአ ኣይግባእን\" ይብል። ዓብደራሕማን ሰይድ እውን \"እቶም ሰብ ፍሉይ ረብሓ ሓይልታት ኮነ ንሳቶም ደፊኦም ደፋፊኦም ናብ ጥርፉነት ዘብጽሑዎም ወገናት ሽበራ ምስ እስልምና ከጸግዑዎ እኳ ይፈትኑ፡ ምስልምና ግን ንክርስቶስን ድንግል ማርያምን ዝቕበል ተጻዋሪ ሃይማኖትን እምነትን እዩ\" ክብል ንምስልምና ከም መሕብኢ እከይ ተግባራቶም ክጥቀሙሉ ኣይግባእን እዩ ይብል። ኣብዚ እዋን እዚ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም፡ ገሊኡ ብሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ገሊኡ ብፖለቲካዊ ዕላማ ዝነቐለ ግብረ ሽበራን መጥቃዕቲ ሽበራን ሳዕሪሩን ገኒኑን ይርከብ። ሰላማውያን አህዛብ ግዳያት ግብረ ሽበራ፡ ድሕሪ እቲ ዘጋጥሞም መጥቃዕትን ሃስያን ደሃዮም ዝገብር ስኢኖም ቁስሎምን ቃንዛኦምን ሒዞም ከምዝሳቐዩ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ዕለት ጠቒሱ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍን መግለጽን የብርህ። እተን ብዓቕሚ ክሕግዛ ዝኽእላ ሃገራት እውን ውሑዳት ብምዃነን ግዳያት ግብረ ሽበራ ስነ አእሙራውን ኣካላውን ስቅያትን ቃንዛን ተሰኪሞም ከምዝተርፉን ድሕሪ ስንክልንኦም ናብ ድኽነት ስለዝወድቁን ካብ ውልቀ ሰባት ክሳብ መንግስታትን ማሕበራትን ክድግፉዎም ከምዘለዎም ብርሃነን ዓብዱራሕማንን ይሰማምዑን ይምሕጸኑን። ሕቡራት ሃገራት እምበኣር፤ ግዳያት ግብረ ሽበራ በሰላ ስቓዮም ፈዊሶም ንኪነብሩ ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣድለይ ሓገዝን ምትሕብባርን ንኺገብረሎም ንምዝኽኻር ነሓሰ 21 መዓልቲ ግዳያት ግብረ ሽበራ ኯይና ክትበዓል ወሲኑ ዓመታዊ ብዝተፈላለየ ቴማ የኽብራን ይዝክራን ኣሎ። ኣብ ጎስጓሳቱ ከኣ ኣባል ሃገራት መባእታዊ ደገፍ ግዳያት ግብረ ሽበራ ንኸማልኣን ግዳያት ግብረ ሽበራ ፋይናንሲያውን ሞራላውን ደገፍ ንኽረኽቡ፡ ናይ ምትሕግጋዝ መርበብ ክፍጠር የዘኻኽር።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49426124"} {"headline":"ሩስያ፡ ካብ ፍጥነት ድምጺ 20 ዕጽፊ ዝቕልጥፍ ሚሳይል ናብ ስራሕ ኣእትያ","content":"ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ልዕሊ ፍጥነት ድምጺ ክውንጨፍ ዝኽእል 'ኣቫንጋርድ' ዝበሃል ዓይነት ሚሳይል ናብ ስራሕ ከምዘእተወ ኣፍሊጡ። እቲ ሚሳይላት ዝተተኸለሉ ቦታ ኣይተገልጸን፡ እንተኾነ ኣብ ምዕራባዊ ሩስያ ኣብ ዝርከቡ ጎቦታት ዩራል ዝትከሉ ምዃኖም ሰብ መዚ ሩስያ ቅድም ኢሎም ገሊጾም ነይሮም። ፕረዚደንት ፑቲን ከምዝበሎ፡ እዞም ኑዩክለራዊ ኣጽዋር ክሽከሙ ዝኽእሉ ሚሳይላት፡ ካብ ፍጥነት ድምጺ ብ 20 ዕጽፊ ክውንጨፉ ዝኽእሉን፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘየለዉ ፍሉያትን እዮም ክብል ተዛሪቡ። እቲ ፕረዚደንት ብሰሉስ ክዛረብ እንከሎ፡ እቲ ኣቫንጋርድ ዝበሃል ሚሳይላዊ ስርዓት፡ ሕጂ ንዘለዉ ኮነ ኣብ መጻኢ ንዝስርሑ መከላኸሊ ኣጽዋራት ሓሊፉ ከጥቅዕ ዝኽእል እዩ ኢሉ። \"ልዕሊ ፍጥነት ድምጺ ዝውንጨፉ (ሃይፐርሶኒክ) ኣጽዋራት ዘለውዋ ዝኾነት ካልእቲ ሃገር የላን\" ድማ ኢሉ። ምዕራባውያንን ካልኦት ሃገራትን \"ንዓና ከርክቡ እዮም ዘብዘብ ዝብል ዘለዉ\" ኢሉ። ፕረዚደንት ፑቲን ንፈለማ እዋን ብዛዕባ እዞም 'ኣቨንጋርድ' ዝተሰምዩ ኣጽዋራት ዝተዛረበ ኣብ 2018 እዩ። ኣብ ታህሳስ 2018 ኣብ ዝተገበረ ፈተነ፡ እዚ ሚሳይል 6000 ኪሜ ርሕቐት ተወንጪፉ እዩ። ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ከምዝብሎ፡ እቲ ሚሳይል ክሳብ ክልተ ሜጋቶን ኣጽዋር ኒዩክለር ክሽከም ዝኽእል እዩ። ገለ ሰብሞያ ኣጽዋር ግን፡ ነቲ ብምኒስትሪ ምክልኻል ዝተዘርገሐ ቪድዮ ድሕሪ ምርኣይ ኣብ ዓቕምታት ናይቲ ኣጽዋር ጥርጣረኦም ገሊጾም እዮም። ኣመሪካን ቻይናን እውን፡ ሃይፐርሶኒክ ሚሳይላት ናይ ምምዕባል መደብ የካይዳ እየን ዘለዋ።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50931832"} {"headline":"ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ኣብ ዶብ ተታዅሰን","content":"ሰሜንን ደቡብን ኮርያ፡ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝርከብ፡ ካብ ሰራዊት ነጻ ኣብ ዝኾነ ዞባ ተታዅሰን። ምክልኻል ደቡብ ኮርያ ከምዝበሎ፤ ኣብ ማእከላይ ክፋል ናይቲ ዶብ ኣብ እትርከብ ከተማ ቼርዎን፤ ካብ ሰሜን ኮርያ ዝተተኮሰ ጠያይቲ ንነቑጣ ሓለዋ ደቡብ ኮርያ ወቒዑ። \"ደቡብ ኮርያ ድማ፡ ክልተ ዙርያ ጠያይቲ ተኲሳ፡ ብመሰረት እቲ መምርሒ ድማ መጠንቀቕታ'ውን ሂባ\" ኢሉ ምክልኻል ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ። ብወገን ደቡብ ኮርያ፡ ዝሞተ ይኹን ዝቖሰለ ከምዘሎ ኣይተገለጸን። ሰብ መዚ ደቡብ ኮርያ፡ ምስ ሰሜን ኮርያ ንምርኻብ ይጽዕሩ ምህላዎም'ውን እቲ መግለጺ ወሲኹ ሓቢሩ'ሎ። መንቀሊ ናይቲ ተዅሲ እንታይ ምዃኑ ንጹር ኣይኮነን። ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ብቐጥታ ናብ ወተሃደራት ደቡብ ኮርያ ክትኲሱ እንከለዉ፡ ኣብ ሓሙሽተ ዓመት እዚ ንፈለማ እዋን እዩ። እቲ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዝርከብ ካብ ሰራዊት ነጻ ዝኾነ ዞባ፡ ድሕሪ ናይ 1953 ኩናት ክልቲአን ኮርያ ዝቖመ ኮይኑ፡ ንክልቲኤን ሃገራት ዝፈሊ ናጻ ዞባ እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፡ መንግስቲ ደቡብ ኮርያ፡ ነቲ ጽዑቕ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስን ዕጥቅን ዘለዎ ዶባት ናብ ሰላማዊ ዞባ ንምቕያር ብዙሕ ፅዒሩ እዩ። ኣብ መስከረም 2018፡ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት፡ ኪም ጆን ኡንን ሙን ጄ-ኢን ኣብ ፒዮንግያንግ ተራኺቦም ኣብ ዝዘተይሉ ካብ ዝበጽሕዎም ቀንዲ ስምምዓት እቲ ሓደ፡ ኣብ ዶባት ወጥርን ምትፍናንን ምትራፍ ዝብል ነይሩ። እቲ ሕዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ምትፍናን፤ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ንኣስታት ሰለስተ ሰሙን ጠፊኡ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ህዝቢ ምስተቐልቀለ ድሕሪ 1 መዓልቲ እዩ ኣጋጢሙ ዘሎ።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52519331"} {"headline":"ሓይሊ ባሕሪ ኢራን ብጌጋ ብዝተኮሶ ሚሳይል 19 ባሕረኛታት ተቐቲሎም","content":"ክልተ መራኽብ ውግእ ሓይሊ ባሕሪ ኢራን የካይድኦ ኣብ ዝነበረ ወተሃደራዊ ልምምድ ተኹሲ 19 ባሕረ ኛታት ቀቲለን። ሓይሊ ባሕሪ ኢራን፡ ካልኦት 15 ሰባት'ውን በቲ ሓደጋ ከም ዝቖሰሉ ኣፍሊጡ። መንግስታዊ መራኸቢ ሓፋሽ ኢራን ከም ዝጸብጸብኦ፡ እዚ ሓድሽ ጸረ-መርከብ ሚሳይል ኣብ ወሽመጥ ባሕሪ ኦማን ጃማራን ካብ ዝተብሃለት መርከብ ባሕሪ ኣብ ዝፍተነሉ እዋን እዩ እዚ ሓደጋ ኣጓኒፉ ዘሎ። እቲ ትማሊ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ብፍላይ ኮናራክ ዝተብሃለት ተዋጋኢት መርከብ ባሕሪ እታ ሃገር ዝተወቕዓት ኮይና፡ ሰብኣዊን ንዋታውን ሓደጋ ድማ በጺሑ። እታ ሓንቲ መርከብ፡ ዒላማ ክትወቅዕ ክትፍትን እንከላ፡ ኣብ መንጎ እቲ ዒላማን መርከብን እኹል ርሕቐት ብዘይምንባሩ ዝተልዓለ እዩ ተባሂሉ። ከም ልሙድ፡ ሓይልታት ባሕሪ ኢራን ኩሉ ግዜ ስሩዕ ወተሃደራዊ ልምምድ የካይድ እዩ። እቲ ሓደጋ ካብ ከተማ ቴህራን 1270 ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ወሽመጥ ባሕሪ ኦማን እዩ ኣጓኒፉ ዘሎ። ጃማራንን ኮናርክን ዝተብሃላ ተዋጋእቲ መርከባት፡ ዋንነነተን ናይ ሓይሊ ባሕሪ ኢራን እየን።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/52618307"} {"headline":"ኪም ጆንግ-ኡን፡ ሰሜን ኮርያ ፈተነ ኒኩሌራዊ ኣጽዋርን ሚሳይላትን ክትቕጽል ምዃና ኣፍሊጡ","content":"መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡን ሃገሩ ኣቋሪጻቶ ዝጸንሐት ፈተነ ኒኩሌራዊ ኣጽዋርን ነዊሕ ርሕቐት ዝውንጨፍ ሚሳይላትን ክትቕጽለሉ ምዃና ኣፍሊጡ። እታ ሃገር ምስ ኣሜሪካ ዝጀመረቶ ዝርርብ ግን ከምዝቕጽል ሓቢሩ። ንሱ ኣብ ዘረብኡ ሰሜን ኮርያ ኣብ ቀረባ እዋን \"ሓድሽ ስትራቴጂካዊ ኣጽዋር\" ከምእተላልይ ገሊጹ። ንዝርርብ ቦታ ከምዝህልዉ ዝሓበረ እቲ መራሒ፡ ኩነታት ፈተነ ኣጽዋር ምስ \"ኣራኣእያ\" ኣሜሪካ ዝተመስረተ ከምዝኸውን ኣመልኪቱ። እቲ ናህሪ ንዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ክዝሕል ዝኸኣለሉ ምኽንያት፡ ፕሮግራም ኒኩሌር ሰሜን ኮርያ ምሉእ ብምሉእ ክቋረጽ እንተዘይክኢሉ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ኣንቢራቶም ዝጸንሐት ማዕቐባት ከምዘይተልዕሎም ኣሜሪካ ብምግላጻ'ዩ። መርገጺ ኣሜሪካ ንምቕያር ዝሓሰብት ሰሜን ኮርያ ብወገና ኣብ መዛዘሚ ዓመተ 2019 ፈተነ ዝተፈላለዩ ኣናኣሽቱ ኣጽዋር ኣካይዳ ነይራ። እታ ሃገር ባዕላ ዝወሰነቶ ግዜያዊ ምቁራጽ ፈተነ ኒኩሌርን ነዊሕ ዝውንጨፉ ሚሳይላትን [ክሳብ ኣሜሪካ ዝበጽሑ] ሓደ ካብ ዓንድታት'ቲ ምስ ኣሜሪካ ዝግበር ድርድራት'ዩ። መሪሕነት እቲ ገዛኢ ውድብ'ታ ሃገር ልሙድ ብዘይኮነ ኩነታት ኣብዚ ዓመት ንኣርባዕተ መዓልታት ዝጸንሐ ኣኼባ ኣካይዶም ነይሮም። ኪም ድማ ኣብ መዕጸዊ እቲ ኣኼባ ዘረባ ኣስሚዑ። ማዕኸን ዜና ሰሜን ኮርያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘቃልሓቶ ዜና፡ እቲ መራሒ ሃገሩ ባዕላ ብዝወሰነቶ ግዜያዊ ምቁራጽ ፈተነ ኣጽዋር ክትቕየድ ከምዘይብላ ምዝራቡ ገሊጻ። \"ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታታት ኮይንና፡ ብበይናዊ [ውልቃዊ] መብጽዓ ንቕየደሉ ምኽንያት የለን\" ኢሉ። ወሲኹ ድማ \"ዓለም ኣብ መጻኢ ሓድሽ ስትራቴጂካዊ ኣጽዋር ክትርእይ እያ\" ክብል ምዝራቡ'ውን ሓቢራ። ብምኽንያት ኣብ ፌሎሪዳ ዝተዳለወ ምድላው ሓድሽ ዓመት ናብኡ ይጓዓዝ ዝነበረ ትራምፕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ንሱን ኪምን \"ካብ ኒኩሌር ነጻ ንምዃን ውዕሊ ተፈራሪምና ኢና\" ኢሉ። \"ቃሉ ዘኽብር ሰብ ከምዝኾነ እየ ዝሓስብ\" ክብል'ውን ብዛዕባ ኪም ተዛሪቡ። ሚንስትር ጉዳይ ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ ብወገኑ፡ ሰሜን ኮርያ ካብ ኲናት ንሰላም ከምእትመርጽ እምነቱ ገሊጹ። \"ኪም ንፕረዚደንት ትራምፕ ዝኣተዎ ቃል እንተደኣ ኣፍሪሱ ብጣዕሚ ዘጉህይ ክኸውን'ዩ\" ክብል ንማዕኸን ዜና ኣሜሪካ ሲቢኤስ ተዛሪቡ። ሰሜን ኮርያ ፈተነ ከይተካይድ ኣሜሪካ ድማ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ልምምድ ከይትገብር ኣብ ስምምዕ በጺሖም ምንባሮም ፖምፒዮ ኣዘኻኺሩ።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50964148"} {"headline":"ሰሜን ኮርያ፡ ፈተነ ሓጺር ርሕቀት ሚሳይል ኣካይዳ","content":"ሰሜን ኮርያ፡ ክልተ ናይ ሓጺር ርሕቀት ሚሳይላት ፈተነ ከም ዘካየደት ተሓቢሩ። እቲ ዘወንጨፈቶ ናይ ሓጺር ርሕቀት ሚሳይል፡ ካብ ፓነጎን ዝበሃል ተበጊሱ ኣብ ምብራቓዊ ባሕሪ ጃፓን ከም ዝዓለበ ሰራዊት ደቡብ ኮርያ ሓቢሮም። ኣብዚ ወርሒ፡ ሰሜን ኮርያ ከም ኣካል ናይ ወተሃደራዊ ልምምድ ዝተፈላለዩ ሚሳይላት ናብ ባሕሪ ጃፓን ወንጪፋ ምንባራ ይዝከር። ሓለቃ ስታፍ ሚንስትሪ ምክልካል ደቡብ ኮርያ፡ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ይከታተሎ ምህላው ገሊጹ። ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝዘርግሓቶ መግለጺ፡ ዓለም ምስ ኮሮናቫይረስ እናተቃለሰት፡ ፕዮንግያንግ ዝወሰደቶ ስጉምቲ \"ዘይግቡእን ዘይሓላፍነታውን\" እዩ ኢላ። ኣሜሪካን ቻይናን፡ መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ነዚ ናይ ሚሳይል መደባታ መዕለቢ ንምርካብ ናብ ናይ ስምምዕ ጣውላ ክትምለስ ጸዊዐን ኣለዋ። ሓይሊ ባሕሪ ጃፓን፡ እቶም ዝተተኮሱ ሚሳይላት ብ 50 ኪሎ ሜትሮ ብራኸ፡ 410 ኪሜ ርሕቐት ምስ ተጉዓዙ ናብ ባሕሪ ጃፓን ወይ ከኣ ምብራቓዊ ባሕሪ እናተባህለ ዝፍለጥ ማያዊ ኣካል ከም ዝወደቑ ገሊጾም። ኣብ ሰሜን ኮርያ፡ ክሳብ ሕጂ ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት ከም ዘየለው ጸብጻባት ይሕብሩ። ክኢላታት ግን፡ ኣብ ልዕዚ እዚ መግለጺ ጥርጣረታት ከም ዘለዎም ይገልጹ። ዝሓለፈ ሰሙን፡ ላዕላዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኣሜሪካ እቲ ቫይረስ ኣብ ሰሜን ኮርያ ከም ዝኣተወ ርግጸኛ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ እዩ። ሰሜን ኮርያ፡ ወጻእተኛታትን ዲፕሎማሰኛታት ዝርከብዎም፡ ከባቢ 380 ሰባት ን 30 መዓልቲ ወሺባቶም ከም ዝነበረት ይግለጽ።","category":"ኒዩክሌራዊ ኣፅዋር","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/51986457"} {"headline":"ወራር ዩክሬን፡ ፑቲን ነታ ናይ ኑክሌር መልጎም ይጥውቓ ዶ ይኸውን?","content":"ብንስሃ ክጅምር እሞ፤ ንብዙሕ እዋን፡ \"ፑቲን እዚ ክገብር ኣይኽእልን\" ኢለ እሓስብ ነይረ፡ ንሱ ግና ከይዱ ገይርዎ። \"ንክሬምያ ብፍፁም ኣይጎብጣን፡ ብሓቂ?\" ኢለ ነይረ፡ ገይርዎ፡ ጎቢጥዋ። \"ኣብ ዶንባስ (ደቡብባዊ ምብራቕ ዩክሬን) ኵናት ኣይኸፍትን\" ነዚ'ውን ውዒልዎ። \"ንሱ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ሙሉእ ወራር ኣይክኸፍትን\" ግና ሕዚ ንዩክሬን ወሪርዋ ኣሎ። ስለዚ \" 'ብፍፁም ኣይውዕሎን' ዝብል ሓረግ ኣብ ቭላድሚር ፑቲን ኣይሰርሕን\" ኢለ ወዲአ ኣለኹ። እዚ ድማ ምቾት ዘይብሉ ሕቶ ኣስዒቡ ኣሎ። \"ፍፁም ንመልጎም ኒዩክለር ቀዲሙ ክፀቅጥ ኣይኽእልን። ፑቲን ንመልጎም ኒዩክለር ክፀቅጥ'ዶ ይኾን?\" እዚ ሱቕ ኢሉ ክልሰ ሓሳባዊ ሕቶ ኣይኮነን። መራሕቲ ኔቶ ኣብ ልዕሊ ሩስያ \"ተጻባኢ መግለፂ\" የውፅኣ ኣለዋ ዝበለ መራሒ ሩስያ ፑቲን፡ ኣስዒቡ ሓይሊ ኑክለር ሃገሩ ብፍሉይ ኣብ ተጠንቀቕ ክቖሙ ኣዚዙ። ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ተሌቪዥን ቀሪቡ \"ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት\" (ኣብ ባይታ ግና ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ሙሉእ ወራር'ዩ ፈፂሙ) ከምዝጀመረ ከፍልጥ እንከሎ፡ ተስፋ ዘቑርፅ መጠንቀቕታ'ዩ ኣሕሊፉ። \"ካብ ደገ ኢድ ንምእታው እትሓስቡ፡ እንተድኣ ጦብሎቕ ኢልኩም ኣብ ታሪኽኩም ርኢኹሞ ዘይትፈልጡ መዘዝ ከጋጥኩም'ዩ\" ኢሉ። ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ኤዲተር ጋዜጣ ኖቫያ ዲምትሪ ሙራቶቭ፡ \"ቃላት ፑቲን ኵናት ኒኩሌር ከምዝስዕብ ብቐጥታ'ዩ ዘጠንቅቕ ኔሩ\" ኢሉ'ዩ ዝኣምን። ኣብቲ ሻቡ ብተለቬዥን ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ፑቲን ከም መራሒ ክሬምሊን ዘይኮነስ ኣርሓ ናይዛ ፕላኔት ከምዝኾነ'ዩ ዝዛረብ ኔሩ፡ ከምቲ እኳ ሓደ ወናኒ ክባር መኪና ቁልፊ መኪንኡ ንምርኣይ ኣብ ኣፃብዕቲ ሒዙ ዘሽከርክሮ። ፑቲን'ውን ቓታ ኒኩሌሩ'ዩ ዘሽከርክር ኔሩ። ብዙሕ ግዘ ኢልዎ'ዩ፡ \"ሩስያ እንድሕር ዘይሃልያ፡ ፕላነት ንምንታይ ተድልየና?\" ዋላ ሓደ ግና ኣቓልቦ ኣይገበረሉን። እዚ ዘረብኡ ግና መጠንቀቕታ'ዩ፡ \"እንሕር ሩስያ ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ዘይተራእያ፡ ኩሉ ነገር ከምዝዓኑ\" ይብል ዲምትሪ ሙራቶቭ። ኣብ 2018 ኣብ ሓደ ሰነዳዊ ምድላው ፕረዝደንት ፑቲን \"… እንተድኣ ዝኾነ ሰብ ንሩስያ ንምፅናት ወሲኑ ግብረ መልሲ ናይ ምሃብ ሕጋዊ መሰል ኣለና። እወ፡ ንወድሰብን ዓለምን መቕሰፍቲ'ዩ ክኾን። ግና ኣነ ዜጋን ፕረዝደንትን ሩስያ እየ። ሩስያ ዘይብላ ዓለም ንምንታይ ንደልያ\" ክብል ርኢቶ ሂቡ ኔሩ። ዓመተ 2022 በፂሕና። ፑቲን ኣንፃር ዩክሬን ምሉእ ወራር ከፊቱ፤ ሓይልታት ዩክሬን ግና ንወራር ሩስያ ንምምካት ብርቱዕ ተጋድሎ ይገብሩ ኣለዉ፤ ሃገራት ምዕራብ'ውን ንክሬምሊን ኣስደሚመንኣ እየን፡ ንቑጠባን ፋይናንስን ሞስኮ ዘልምስ ማዕቐብ ንምንባር ኩለን ሓቢረን። እዚ ማዕቐብ ንህላወ ስርዓት ፑቲን ኣብ ሕቶ ከእትዎ ይኽእል'ዩ። ኣብ ሞስኮ መሰረት ዝገበረ ተንታኒ ምክልኻል ፓቨል ፈልግንሀር፡ \"ፑቲን ኣብ መዋጥር'ዩ ዘሎ። ብዙሕ ኣማራፅታት የብሉን። ሓንሳብ ምዕራባውያን ንርእሰማል ማእኸላይ ባንኪ ሩስያ ምስ ኣደስከልኦ ፋይናንሳዊ ስርዓት ሩስያ ክዓኑ'ዩ። እዚ ድማ እቲ ስርዓት ዘይሰርሕ ክገብሮ'ዩ\" ይብል። \"ንሱ ዝህልዎ ኣማራፂ፡ ሓደ ኣውሮጳውያን ከንሳሕባ ብምትስፋው ናብ ኣውሮጳ ዝልእኾ ነዳዲ ምቁራፅ፡ ካልኣይ ኣማራፂ ድማ ኣብቲ ኣብ ሞንጎ ብሪጣንያን ዴንማርክን ዝርከብ ሰሜናዊ ባሕሪ ኒኩሌር ምትኳስ\" ይብል እቲ ተንታኒ። ግና ቭላድሚር ፑቲን ኣማራፂ ኒኩሌር እንተድኣ መሪፁ፡ ኣብ ጥቕኡ ዘለዉ ከተባብዕዎ'ዶ ክፍትኑ ይኾኑ ወይስ ደው ንከብል ፀቕጢ ክገብሩ ይኾኑ? ተሸላሚ ኖቤል ዲምትሪ ሙራቶቭ፡ \"ፖለቲከኛታት ሩስያ ምስ ህዝቢ ኮይኖም ኣይፈልጡን። ኩሉግዘ ምስ መራሒ ምስወገኑ'ዮም\" ይብል። ኣብ ናይ ቭላድሚር ፑቲን ሩስያ ድማ መራሒ ሓያል'ዩ። ንኹሉ እቲ ስርዓት'ዩ ዝዝውሮ። ፓቨል ድማ፡ \"ኣብ ጎኒ ፑቲን ንምዃን ድሉው ዝኾነ የለን። ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ኢና ዘለና\" ይብል። እቲ ኣብ ዩክሬን ተኸፊቱ ኵናት ናይ ፑቲን ኵናት እዩ። እዚ መራሒ ሩስያ ወተሃደራዊ ባህግታቱ እንተድኣ ኣዐዊቱ፡ ዩክሬን ሉኣላዊት ሃገር ኮይና ናይ ምቕፃል መፃኢኣ ኣብ ሕቶ ምልክት'ዩ ዝኣቱ። ምናልባት ድማ ሩስያ ዘይሓሰበቶ ስዕረት እንተተጎልቢባ፡ ፑቲን ናይ መወዳእታ ኣማራፂ ጌሩ ዝወስዶ ስጉምቲ፡ ንዓለም ኣብ ሓደጋ ዘጥሕል ክኾን ይኽእል።","category":"ኒዩክሌራዊ ጸዓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60487018"} {"headline":"መራሕቲ ወሽመጥ ዓረብ ንፕረዝደንት ባይደን ምዝራብ ተሓሲሞም","content":"ዋይት ሃውስ፡ ን ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስ መራሕቲ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ብተሌፎን ንምርኻብ ዝተገብረ ፈተነ ከምዘይሰመረ ዎል ስትሪት ጆርናል ፀብፂቡ። ኣሜሪካ፡ ንምድልዳል ዓለምለኻዊ ደገፍ ንዩክረይንን፡ ዝዓርግ ዘሎ ዋጋ ነዳዲ ንምግታእን ኣብ ትሰርሐሉ ዘላ ግዜ፡ ዋይትሃውስ ንሰለስቲኦም መራሕቲ ንምርኻብ ፈተነ ኣካይዳ። ሰብመዚ ማእከላይ ምብራቕን ኣሜሪካን ነቲ ጋዜጣ ከምዝሓበርዎ፡ ኣብዚ ቀረባ ሳምንቲ፡ ልኡል ስዑድ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማንን ልኡል ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድን፡ ንፕረዚደንት ባይደን ከዛርብዎም ብኣሜሪካ ዝቐረበሎም ሕቶ ነፂጐምዎ። ሰብመዚ ስዑዲ ዓረብ ንጋዜጣ ዎል ስትሪት ጆርናል ከምዝሓበርዎ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ኲናት ሕድሕድ የመንን ኣብ ምህናጽ ሰቪላዊ ኒዩክለራዊ ጸዓትን ዝያዳ ሓገዝ ክግበረላ፣ ከምኡ'ውን ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ኣሜሪካ ከይክሰስን ዝብሉ ጠለባት ኣለውዋ። ወራስ ዓራት ስዑዲ ዓረብ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ብቕትለት እቲ ዓምደኛ ዋሽንግተን ፖስትን ነቓፋይ ስዑድ ዓረብን ዝነበረ ጀማል ካሾጊ ኣብ ኣሜሪካ ከምዝተኸሰሰ ይፍለጥ። መሓመድ ቢን ሳልማን፡ እቲ ብ2018 ዝተፈፀመ ቅትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ከም ዘፅደቐ ሓደ ፀብፃብ ስለያ ኣመሪካ ገሊፁ ነይሩ። እዚ ብምምሕዳር ባይደን ዕላዊ ዝተገብረ ፀብፃብ፡ እቲ ልኡል፡ ጋዜጠኛ ካሾጊ፡ \"ንክትሓዝ ወይ'ውን ንክቕተል\" ዝወፅአ መደብ ኣፅዲቑ ይብል። ኣብ እዋን ጐስጓስ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ፡ ጆ ባይደን ንስዑድ ዓረብ፡ \"ፋሉል\" ሃገር ብምባል ገሊጽዋ ከምዝነበረን፡ ንዝፍፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ድማ፡ \"ዋጋ ክትከፍል'ያ\" ክብል ቃል ምእታዉ ይዝከር። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኢማራት'ውን፡ ኣሜሪካ እቶም ብኢራን ዝድገፉ ሚልሻታት ሑቲ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣንፃር ኢማራትን ስዑዲ ዓረብን ንዝገብርዎ መጥቃዕቲ፡ ድሩት ግብረመልሲ ብምሃባ፡ ማዕረ ስዑዲ ከምዘተሓሳሰባ፡ ዎል ስትሪት ጆርናል ኣፍሊጡ።","category":"ኒዩክሌራዊ ጸዓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60658300"} {"headline":"ባይደን ምስ ኢራን ንምዝርራብ ኢሉ እገዳ ከም ዘይልዕል ኣፍሊጡ","content":"ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ምስ ኢራን ንምዝርራብ ኢሉ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ተነቢሩ ዝጸንሐ ማዕቀብ ከም ዘይልዕል ኣፍሊጡ። ኢራን ነቲ ኣብ 2015 ዝፈረመቶ ስምምዕ ኒኩሌር እንተዘይኣኽቢራ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊኣ ኣንቢራቶም ዝጸንሓት ዕገዳታት ከምዘይተልዕል እዩ እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ተዛሪቡ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን ከምዚ ዝበለ፡ ምስ ሲቢኤስ ኣብ ዝካየዶ ቃለ-መሕትት እዩ። መንፈሳዊ መራሒ ኢራን፡ ኣያቶላ ዓሊ ብወገኑ፡ ኢራን ነቲ ስምምዕ እተኽብር ኣመሪካ ኣብ ልዕሊኣ ዘንበረቶ እገዳ ምስ እተልዕል ጥራይ ከምዝኾነ ተዛሪቡ። ኣብ 2015 ዝተኸተመ ኑክሌራዊ ስምምዕ፡ ኢራን ንተካይዶ ንዩክለራዊ መደባት ክትቅንሶን፡ ኣምሳያኡ ኣብ ልዕሊኣ ጸኒዑ ዝጸንሐ እገዳታት ብኸፊል ክለዓል ዝእዝዝ እኳ እንተነበረ፡ ኣመሪካ ግን ብፕረዚደንት ነበር ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣቢላ ኣብ 2018 ካብቲ ስምምዕ ኣንሳሒባ። እዚ ከኣ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ቁጠባዊ እገዳ ገይራ፡ ሓዲሽ ኒኩለራዊ ስምምዕ ክትገብር ዝዓለመ እዩ ነይሩ። እቲ እገዳ ምትራሩ ስዒቡ ድማ፡ ኢራን ነቲ ስምምዕ ዝጥሕሱ ተግባራት ክትፍጽም ጀሚራ። ኢራን፡ ኒኩለራዊ መደባታ ንሰላማዊ መዓላ ጥራይ ምዃኑ'ያ እትገለጽ። እንተኾነ፡ ካልኦት ሃገራት ኢራን ኒኩሌር ቦምብ ኣብ ምስራሕ ከምእትርከብ እዮም ዝሕብሩ። ኢራን፣ ኣሜሪካ፣ ፈረንሳይ፣ ጀርመን፣ ሩስያን ዩናይትድ ኪንግደምን እየን ኣብ 2015 ስምዕዕ ኒውክሌር ፈሪመን ነይረን። በቲ ስምምዕ መሰረት፡ ቴህራን [ኢራን] መጠን እቲ እተማዕብሎ ኒውክሌር ክትንክን እቲ ምምዕባል ዓለማዊ ትካላት ክከታተልዎ ክትፈቅድን ዝብል ይርከቦ። ኢራን ከምኡ እንተገይራ፡ እቶም እገዳታት'ውን ከምዝለዓሉላ ቃል ተኣትዩላ ነይሩ። እንተኾነ ትራምፕ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ኣመሪካ ካብቲ ስምምዕ ኣውጺኡ፡ ኢራን ሓድሽ ስምምዕ ንክትፍርም ጽዕንቶ ከሕድር ሓሲቡ ነይሩ። ኢራን ብወገና፤ በቲ ሓድሽ ናይ ትራምፕ ሓሳብ ኣይስማማዕን ኢላ፤ ብ20 ሚኢታዊ ጽሬት፡ ዩራንየም ናብ ምምዕባል ከምእትምለስ ኣፍሊጣ። ኣጽዋር ምስራሕ ዝከኣል ጽሬት እቲ ዝምዕብል ዩራንም፡ ናብ 90 ሚኢታዊ ክብ ምስዝብል እዩ። ባይደን፡ ኢራን ናብ'ቲ ናይ መጀመርታ ስምምዕ ንክትምለስ ኣብ ርእሲኣ ዝተነበረ ማዕቀብ ከልዕል ዝፈቅድ እንተኾይኑ ንዝቐረበሉ ሕቶ\" ብፍጹም ዘይሕሰብ\" ዝብል ምላሽ ሂቡ። ኢራን ድማ ናብቲ ቅድም ክብል ዝተፈረመ ስምምዕ ንክትምለስ፡ እቲ ካብ ኣመሪካ ዝተነበረ ማዕቀብ ቀዲሙ ክለዓለላ ከም ቅድመ ኩነት ኣቕሚጣ ኣላ። መራሒ ኢራን ኣያቶላ ዓሊ፡ ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቀሪቡ፡ \"ኩሎም እገዳታቶም የልዕሉ። ሽዑ ኢና ናብቲ ስምምዕ እንምለስ\" ኢሉ።","category":"ኒዩክሌራዊ ጸዓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55908529"} {"headline":"ወተሃደራት ማሊ፡ ሃገራዊ መረጻ ክጽውዑ ቃል ኣትዮም","content":"እቶም ትማሊ ንፕረዚደንት ማሊ: ኢብራሂም ባቡከር ከይታ: ኣብ ቀይዲ ዘእተዉ ወተሃደራት፡ ሲቪላዊ መሰጋግሪ ምምሕዳር ንምምስራትን ከምዝሓሰቡ ገሊጾም። ነዚ ድማ፤ ኣብ ቀረባ እዋን ሃገራዊ መረጻ ንክካየድ ከምዝገብሩ ቃል ኣትኦም። ወሃቢ ቃል ቶም ዝኣደሙ ወተሃደራት፡ እቲ ትማሊ ዝወስደ ስጉምቲ እታ ሃገር ናብ ቅልውላው ከይትኣቱ ንምድሓን ምዃኑ ተዛሪቡ። እቶም ኣብቲ ኣድማ ዝተሳተፉ ወታደራት፡ ንባዕሎም 'ሃገራዊ ኮሚቴ ንህዝባዊ ድሕነት' ኢሎም ዝሰየሙ ኮይኖም ኣብ ስልጣን ናይ ምጽናሕ ድሌት ከምዘይብሎም ይገልጹ። ሕብረት ኣፍሪቃ፣ መራሕቲ ዞባዊ ሃገራትን ውድብ ሕቡራት መንግስኣትን ግን፡ ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ኮኒኖም ኣለዉ። ----------------- ፕረዚደንት ማሊ ኢብራሂም ቡባካር ኬይታ፡ ትማሊ ብወተሃደራት ምስ ተኣሰረሎሚ ካብ ስልጣኑ ከምዝተኣለየ ምግላጹ ዝዝከር እዩ። ፕረዚደንት ኬይታ ንሃገራዊ ማዕከን ዜና ማሊ ኣብ ዝተዛረቦ፡ እቲ መንግስትን ባይቶ እታ ሃገርን ብዕሊ ፈሪሱ ኣሎ። \"ኣነ ኣብ ስልጣን ንክጸንሕ ደም ክፈስስ ኣይደልን\" ክብል'ውን ተዛሪቡ። ንሱን ቀዳማይ ሚኒስትር ባውባው ሲስን ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ባማኮ ናብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝተወሰዱ ኮይኖም፡ እቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ከም ዝወረደ ገሊጹ። ፈረንሳን መራሕቲ ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃን ግን ነዚ ተግባር ኮኒኖምዎ። እንተኾነ ፕረዚደንት ኬይታ፡ \"ሎሚ ገለ ኣባላት ሰራዊትና ኢዶም ብምሕዋስ እዚ ነገር ከብቅዕ ዝደልዩ እንተኾይኖም፡ እንታይ ምርጫ ኣለኒ?\" ኢሉ። ቅድም ኢሉ እቶም ናዕቢ ዘለዓዓሉ ወተሃደራት ንመዓስከር ወተሃደራት ካቲ ተቖጻጺሮምዎ'ዮም። ኣብቲ ሰራዊት፡ ኣብ ጉዳይ ደሞዝን ምስ ጅሃዳውያን ዕጡቓት ዝግበር ቐጻሊ ግጭትን ዘበገሶ ዘይዕግበት ነይሩ'ዩ። ኬይታ፡ ኣብ 2018 ንኻልኣይ ግዜ ኣብ መረጻ እታ ሃገር ወላ እኳ እንተተዓወተ፡ ብሰንኪ ብልሽውና፣ ጸገም ቑጠባዊ ምሕደራን ውሽጣዊ ጎንጽን ቁጥዐ ክለዓል ጸኒሑ'ዩ። እዚ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ዓበይቲ ናዕብታትን ተቓውሞታትን ክካየድ ምኽንያት ኮይኑ'ዩ። ብኢማም መሓመድ ዲኮ ዝምራሕ ሓድሽ ልፍንቲ ንተቓወምቲ ሰልፍታት ዝሓወሰ ልፍንታዊ መንግስቲ ክምስረት ሓሳብ ኣቕሪቦም ነይሮም። ብምኽትል ሓላፊ ወተሃደራዊ መዓስከር ካቲ ኮሌኔል ማሊክ ዲዋን ጀነራል ሳዲዮ ካማራን እዩ ዝምራሕ። ነቲ ካብ ከተማ ባማኮ 15 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ዝርከብ መዓስከር ወተሃደራት ምስ ተቖጻጸርዎ፡ ፕረዚደንት ኬይታ ንክወርድ ብዝጠልቡ ዝነበሩ ወተሃደራት ተቐባልነት ረኺቦም። ብሰሉስ ድሕሪ ቐትሪ ድማ ናብ መንበሪ ገዛ እቲ ፕረዚደንት ብምኻድ ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ብሓባር ኣሲሮምዎም። ወዱ ነቲ ፕረዚደንት፣ ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ሽማግለ፣ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻእን ሚኒስትሪ ፋይናንስን'ውን ካብ ሞንጎ እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተው ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ከም ዝኾኑ ተገሊጹ። ብዝሒ'ቶም ናዕቢ ዝገበሩ ወተሃደራት ግን ብወግዒ ኣይተፈለጠን። ኣብ 2012'ውን፡ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ካቲ ተመሳሳሊ ናዕቢ ተላዒሉ ከምዝነበረን፡ ኣብቲ እዋን ነባራት ኮማንደራት ማሊ ንጅሃዳውያንን ዕጡቓት ቱረግ ሰሜናዊ ማሊ ካብ ምቁጽጻር ጠጠው ከብሉዎም ብዘይምኽኣሎም ኣብ መንጎ እቶም ወተሃደራት ብዙሕ ቑጥዐ ፈጢሩ ነይሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ነቶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለው መራሕቲ ክፍትሑ ጸዊዖም ኣለው። ቑጠባዊ ውህደት ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ [ኢኮዋስ] ብወገኑ፡ 15 ኣባል ሃገራት ምስ ማሊ ዘራኽበን ዶባት ክዕጾ፣ ናብታ ሃገር ዝኣቱ ፋይናንሳዊ ሓገዛት ጠጠው ክብልን፤ ማሊ ካብቲ ውህደት ክትውገድ ከም ዝወሰነን ኣፍሊጡ። ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ኢኮዋስ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኬይታን ተቓወምቲ ጉጅለታትን ዝግበር ዝነበረ ዘተ ይሽምግል ነይሩ። ሎሚ መዓልቲ ድማ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ማሊ ንምዝራታይ ክእከብ እዩ።","category":"ኒዩክሌራዊ ጸዓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53814957"} {"headline":"ገዲም በዓልመዚ ስለያ እስራኤል፡ ሞሳድ ኣንፃር ኢራን ዘካየዶም ስርሒታት ኣቃሊዑ","content":"ሓላፊ ትካል ስለላ እስራኤል ሞሳድ ዝነበረ ዮሲ ኮህን፡ እስራኤል ኣንፃር ኢራን ተካይዶም ዝነበረት ስርሒታት ዘቃልሕ ቃለ-መሕተት ሂቡ። እቲ በዓልመዚ ስለላ እስራኤል ነበር፡ መረዳእታታት ናቑጣታት ኒኩሌር ኢራን ብኸመይ ከምዝተሰረቑ'ውን፡ ወግዓዊ ጌሩ። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2018 ሰራሕተኛታት ስለላ እስራኤል፡ ካብ ሓደ ናይ ኢራን መኻዚኖ ሰነዳት ኒኩሌር ብምስራቕ፡ ናብ እስራኤል ከምዝለኣኹ ገሊፁ። ኣብ ኒኩለራዊ ማእኸል ናታንዝ ንዝተፈፀመ መጥቃዕትን ቅትለት ሓደ ሳይንቲስትን፡ ኢድ እስራኤል ከምዘለዎ'ውን ኣአንፊቱ። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2015፡ ብቐዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ሓላፊ ሞሳድ ኮይኑ ዝተሾመ ዮሲ ኮህን፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን'ዩ፡ ካብ ትካል ስለላ እስራኤል ሞሳድ ብጡረታ ተሰናቢቱ። ዮሲ ኮህን ብ1982 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ገና ኣብ ክሊ ዕድመ 20ታት ከሎ'ዩ፡ ናብ ሞሳድ ተፀምቢሩ። እቲ በዓልመዚ ሞሳድ ነበር፡ 'ቻናል 12 ኡቩዳ' ኣብ ዝበሃል ተሌቬዥን፡ ምስ ጋዜጠኛ ላ ዳያን'ዩ ነዚ ቃለ-መሕተት ኣካይዱ። ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ድማ፡ እቲ ቃለ-መሕተት ብተሌቬዥን እስራኤል ተመሓላሊፉ። ኣብቲ ቃለ-መሕተት ካብ ሞንጎ ዘልዐሎም ዛዕባታት ድማ፡ ካብ ኢራን ተሰሪቖም ዝወፅኡ ሰነዳት ኒኩሌር ዓብይ ኣቓልቦ ረኺቦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ቤንሚን ኔታንያሁ፡ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2018 ኣብ ሓደ ጋዜጣዊ መግለፂ፡ እቶም ካብ ኢራን ዝተሰረቑ ሰነዳት ሒዙ ብምውፃእ፡ ኢራን ኒኩሌር ተማዕብል ከምዘላ ከረድእ ፈቲኑ ኔሩ። እንተኾነ ኢራን ኣብቲ እዋን፡ ንክሲ እስራኤል ኣይተቐበለቶን። ኣብ ግዘ ስልጣኑ ካብ ቴልኣቪቭ ኮይኑ ስርሒታት ዝከታተል ዝነበረ ዮሲ ኮህን፡ መኻዚኖ ኒኩሌር ኢራን ንምዝማት ኣብ ዝተገበረ ስርሒት'ውን ተሳቲፉ'ዩ። ሻቡ ሰለልቲ ሞሳድ ናብቲ ናይ ኒኩሌር መኻዚኖ ብምእታው፡ ኣስታት 30 ዝኾኑ ካዝናታት ይኸፍቱ ከምዝነበሩ፡ ዮሲ ኮህን ገሊፁ።","category":"ኒዩክሌራዊ ጸዓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/57419408"} {"headline":"ኣሜሪካን ኢራንን ኣብ ጉዳይ ኒኩሌር ከም ብሓድሽ ምይይጥ ክጅምራ እየን","content":"ሃገራት ምዕራብ ኣብ ጉዳይ ኒውክሌር ቀዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዕ ንምሕዳስ ድሕሪ ሓሙሽተ ወርሒ ኣብ ቬና ምስ ኢራን ምይይጥ ክጅምራ እየን። እቲ ብቐንዱ ኣመሪካ እትርከቦ ምስ ኢራን ዝግበር ምይይጥ፡ ናብቲ ኣብ 2015 ዝተበጽሐ ስምምዕ ንምምላስ ዘኽእል እዩ። ንሱ ድማ፡ ብኢራን ዝካየድ ምምዕባል ኒኩሌር ዝግድብን ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ተነቢሩ ዘሎ ማዕቀብ ድማ ክለዓለላ ዝሕግዝን እዩ ተባሂሉ። ፕሬዝደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ 2018 ንኣሜሪካ ካብቲ ስምምዕ ክትወጽእ ብምግባር ነቲ ዝነበረ ማዕቀብ መሊሱ ዘንበረ ኾይኑ፡ ነዚ ስዒቡ ኢራን ነቲ ስምምዕ ኣብ ዝጥሕሱ ተግባራት ተዋፊራ ጸኒሓ ተባሂሉ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ኢራን ነቲ ስምምዕ እንተኣኽቢራ ነቲ ማዕቀብ ንምልዓል ድልው ምዃኑ ሓቢሩ እዩ። ኢራን ብወገና፡ ኣመሪካ ቀዲማ ነቲ ማዕቀብ ናይ ምልዓል ስጉምቲ ክትወስድ እያ ትጠልብ። ዲፕሎማሰኛታት ሃገራት ምዕራብ፡ ኢራን ዩራንየም ናይ ምልሓም ተግባር ቀጺላትሉ ናብ ብርኪ ኒኩሌር ቦምብ ምፍራይ በጺሓ ከምዘላ ብምጥንቃቕ፡ ናይ ምዝርራብ እዋን እናተለኣመ ምዃኑ ይዛረቡ። ኢራን ብወገና፡ መደብ ኒኩሌር ንሰላማዊ ግልጋሎት ከምዝውዕል ኣትሪራ እያ ትዛረብ። ኣብ መንጎ ኢራንን ሓሙሽተ ሃገራትን [ቻይና፣ ፈረንሳይ፣ ጀርመን፣ ሩሲያ እና ዩናይትድ ኪንግደም] ኣብ ርእሰ ከተማ ኦስትሪያ ቬና ኣብ ዝተኻየደ ምይይጥ ተወከልቲ ኣመሪካ ቀጥታዊ ብዘይኾነ መገዲ ተሳቲፎም ነይሮም። ሓደ ላዕለዋይ ኣመሪካዊ በዓል ስልጣን ንኒውዮርክ ታይምስ ከምዝበሎ፡ ኣብ መንጎ ዋሺንግትንን ቴህራንን እንታይ መዓስ ከምዝትግበር ዝምልከት ጥቕልል ብዝበለ ኣብ ወርሒ ሰነ ቅድሚ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኢራን እዩ ተኻይዱ። ኣብ እዋን ምሕደራ ባራክ ኦባማ፡ ተዛታዪ ኢራን ዝነበረ ሓሰን ሩሃኒ ንምትካእ ኣብ ዝተኻየደ ውድደር፡ ንምዕራባውያን ኣዝዩ ብምንቃፍ ዝፍለጥ ኢብራሂም ራይሲ እዩ ተዓዊቱ። ራይሲ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምጽኡ እቲ ዘተ ክናዋሕ ከምዘይፈቕድ ተዛሪቡ እንተነበረ'ኳ፡ ክሳብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ኣብ ቬና ተራኺቦም ንምምያጥ ከይተስማምዑ ጸኒሖም። ተላዘብቲ ኢራን፡ ረብሓ ኢራን ብፍጹም ኣሕሊፎም ከምዘይህቡ እዮም ዝገልጹ። ሚኒስተር ጉዳኣት ወጻኢ ኢራን፡ ኣመሪካ ጌጋኣ ክትኣምን ከምዘለዋ ተዛሪቡ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተነቢሮም ዘለዉ እገዳታት ብቕልጡፍ ክለዓሉ፡ ከምኡ'ውን ኣብ መጻኢ ዘዝመጽኡ ፕረዚደንታት ነቲ ስምምዕ ከምዘይክልስዎ ኢራን መረጋገጺ ትደሊ ኢሉ። ፍሉይ ልኡኽ ባይደን ኣብ ኢራን፡ ሮበርት ማሌይ ብወገኑ፡ ምሕደራ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘንበሮ ቁጠባዊ ማዕቀብ ንምልዓል ድልውቲ ምዃና እዩ ዝገልጽ። እንተኾነ መሌይ፡ ምስ ኢራን ዝግበር መስኮት ልዝብ ኩሉ ክፉት ዘይክኸውን ይኽእል እዩ- ኢሉ። ኢራን ኣብ'ቲ ክብልጽግ እትደልዮ ዓይነት ኒኩሌር ኣብ ስምምዕ በጺሓ ኣላ፤ ንሱ ድማ፡ ብርኪ እቲ ምልሓም፣ ንምልሓም ኣብ ረብሓ ብዛዕባ ዝውዕሉ ማሺናት ከምኡ'ውን ዝልሕመሎም ከባብታት ይርከብዎም። እንተኾነ፡ ኢራን ካብቲ ልዕሊ ዝፍቀድ ዩራንየም ኣልሒማ ክትከውን ከምእትኽእል እዩ ዝግመት። ዓለም ለኻዊ ኤጀንሲ ምቁጽጻር ኣቶሚክ ኢነርጂ፡ ኒኩሌር ዝልሕመሎም ከባብታት ኢራን ከይርእይ ከምዝተኸልከለ ዝዝከር እዩ።","category":"ኒዩክሌራዊ ጸዓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59456532"} {"headline":"ሩስያ ኣብ ሃንጋሪ ክልተ ኒክልየሳዊ መነጣጠፊ ክትሃንጽ’ያ","content":"ኣብ ኒኩሌራያዊ ጽዓት ዝነጥፍ ዓብይ ትካል ሮሳቶም ኣብ ዝቕጽል ክልተ ሰሙናት ኣብ ሃንጋሪ ህንጸት ክልተ ኒክልየሳዊ መነጣጠፊ (nuclear reactors) ክጅምር ምዃኑ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሃንጋሪ ኣፍሊጡ። ኣብ 2014 [ኣቆጻጽራ ፈረንጂ] ኣብ መንጎ ሩስያን ሕብረት ኣውሮፓን ዝተበጽሐ ስምምዕ እቶም ዛጊድ ዝተሃነጹ ኒኩሌራያዊ ጽዓት ንምስፍሕፋሕ ዝዓለመ’ዩ ነይሩ። ኢንዳስትሪ ኒኩሌር ሩስያ በቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ስዒቡ ኣብ ልዕሊኣ ብሕብረት ኤውሮፓ ዝተነበረ እገዳ ኣይተገዝአትን። ሃንጋሪ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰደድ ነዳድን ጋዝን ሩስያ ንምእጋድ ብሕብረት ኤውሮፓ ዝቐረበ ሓሳብ ኣይደገፈቶን። እቲ ናይ ኒኩሌር ጽዓት 40 ሚኢታዊት ጠለብ ሓይሊ ሃንጋሪ ዘማልእ’ዩ። “ህንጸት ንጀምሮ” ክብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሃንጋሪ ፒተር ስዚጃረቶ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ፌስቡክ ጠቂዑ። እቲ ኣርባዕተ ኒክልየሳዊ መነጣጠፊ ዘለዎ ማእኸል ኒኩሌራያዊ ጽዓት እቶም ክልተ ክህነጹ ተወጢኖም ዘለዉ ኒክልየሳዊ መነጣጠፊ ምስተዛዘሙ ናይ ምምንጫው ዓቕሚ እቲ ማእኸል ልዕሊ ዕጽፊ ከዕብይዎ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ። ሚኒስተር ስዚጃረቶ “እዚ ዓብይ ምዕራፍ’ዩ፣ ኣገዳሲ እምነ ኩርናዕ” ክብል ኣብ ፌስቡክ ገጹ ጽሒፉ። ንሱ ብተወሳኺ “በዚ መገዲ ኣቢልና ውሕስነት ሓይሊ ሃንጋሪ ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ብምርግጋጽ ሃንጋራውያን ካብ ምኽባር ዋጋ ጽዓት ክንሕልዎም ኢና” ዝበለ ኮይኑ እቶም ኒክልየሳዊ መነጣጠፊ ኣብ 2030 ንኣገልግሎት ድልዋት ከምዝኾኑ ሓቢሩ። እዚ ልዕሊ 12 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ከምዝሓትት ዝተዘረበሉ ኣዘራራቢ ዝኾነ ፕሮጀክት እቲ ዝበዝሕ ወጻኢኡ ብሩስያ ዝሽፈን’ዩ። ኵናት ዩክረይን ምስተጀመረ መብዛሕቲኤን ሃገራት ኤውሮፓ ካብ ጽግዕተኝነት ቀረብ ሓይሊ ሩስያ ሓራ ንምውጻእ ጻዕርታት ክገብራ ጸኒሔን ኣለዋ።","category":"ኒዩክሌራዊ ጸዓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cx0gxq77k1wo"} {"headline":"ምምሕዳር ጆ ባይደን፡ ምስ ሰሜን ኮርያ ንምርኻብ ዝገበሮ ጻዕሪ ከምዘይሰመረ ገሊጹ","content":"ሓድሽ ምምሕዳር ጆ ባይደን፡ ካብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ፡ ንመንግስቲ ሰሜን ኮርያ ንምርካብ እኳ እንተፈተነ፡ ዛጊድ ካብ ሰሜን ኮርያ ምላሽ ከምዘይረኸበ ኣፍሊጡ። ዋሽንግተን፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት እናዓረገ ይመፅእ ዘሎ ውጥረት ንምግታእ፡ ብዝተፈላለየ መገዲ ንመንግስቲ ሰሜን ኮርያ ንምርኻብ ከምዝፈተነት እዩ ተገሊፁ ዘሎ። ኣሜሪካን ሰሜን ኮርያን፡ ብሰንኪ እቲ መንግስቲ ሰሜን ኮርያ የቐፅሎ ዘሎ መደብ ምምዕባል ኒኪዩለርን ተወንጫፊ ሚሳይልን፡ ከይተቛደዋ እየን ፀኒሐን። ጆ ባይደን ቅድሚ ናብ ስልጣን ምድያቡ፡ ኣብ ሞንጎ ዶናልድ ትራምፕን መራሒ ሰሜን ኮርያን ኪም ጆንግ ኡን ቁሩብ ምርኻባት ኔሮም። እንተኾነ፡ እቲ ልዝብ፡ ነቲ ባህጊ ኣሜሪካን ሓይልታት ምዕራብን ዝኾነ ምድስካል ኣፅዋር ኒኪዩለር፡ ንሰሜን ኮርያ ከየእመነ እዩ ፈሺሉ። ሃገራዊ መራኸቢ ሓፋሽ ሰሜን ኮርያ’ውን እንተኾነ፡ ዛጊድ ጆ ባይደን ፕረዝደንት ኣሜሪካ ምዃኑ ኣፍልጦ ኣይሃበን ዘሎ። ኣሜሪካ፡ ‘ንኒውዮርክ ቻነል’ ሓዊሱ፡ ኣብ ሃገራ ብዘሎ ልኡኽ ሰሜን ኮርያ ኣቢላ፡ ምስ ፒዮንግያን ንምርኻብ ከምዝፈተነት ተገሊፁ። ሓደ በዓልመዚ ኣሜሪካ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ምስ ሰሜን ኮርያ ንምልዛብ “ብዙሓት ፈተነታት” ከምዝነበሩን፡ እንተኾነ፡ ንልዕሊ 12 ኣዋርሕ ፍረ ዘለዎ ነገር ከምዘይተረኸበ ሓቢሩ። እዚ ርክብ፡ ፕረዝደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ ዝገበሮ ዘተ ዝሓውስ እዩ። ሓድሽ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ድሮ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዝህልዋ ፖሊሲ ንፁር ጌሩ ኣሎ፤ እዚ ፖሊሲ ኣብ መፃኢ ወርሒ ሚያዝያ ወግዓዊ ክኾን ትፅቢት ይግበረሉ። ባይደን፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዘንበረቶም ረዘንቲ ቁጠባዊ ማዕቐባት ቅድሚ ምፍኳሳ (ምዝላቓ)፡ ፒዮንግያንግ ዘለዋ ኒኪዩለር ክትንክይ ግድን ምዃኑ እዩ ኣፍሊጡ። መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን’ውን፡ ኣብ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ሃገሩ ትኹረት ምግባር’ኳ እንተቐፀለ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ዘለዋ ‘ተፃባኢ ፖሊሲ’ ክትኣልይ እዩ ዝፅውዕ። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2017፡ ሰሜን ኮርያ ንከተማታት ኣሜሪካ ክወቅዕ ዝኽእል ነዊሕ ርሕቐት ተወንጫፊ ሚሳይል ምፍታና ስዒቡ እዩ፡ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ርሱን ውጥረት በፂሑ። ሰሜን ኮርያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ካልእ ግዘ ብዝዛየደ ካብ ዓለም ተነፂላ ትርከብ። ዶባት እታ ሃገር ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተዓፅዮም ይርከቡ። ምስ ቀንዲ መሻርኽታ ቻይና ዘለዋ ንግዳዊ ርክብ’ውን፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ብ90 ሚእታዊት ነክዩ እዩ።","category":"ኒዩክሌራዊ ጸዓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56393583"} {"headline":"ሰሜን ኮርያ በይነ-ክፍለ-ዓለማዊ ተወንጫፊ ከምዝኾነ ዝተጠርጠረ ሚሳይል ተኲሳ","content":"ሰሜን ኮርያ በይነ-ክፍለ-ዓለማዊ ተወንጫፊ ሚሳይል ተኲሳ፤ ሰራዊት ደቡብ ኮርያ እቲ ሚሳይል ኣብ መፋርቕ በረራ ከምዝፈሸለ ገሊጾም። እዚ ኣብዚ ዓመት ንሻብዓይ ግዘ ሰሜን ኮርያ ዘወንጨፈቶ በይነ-ክፍለ-ዓለማዊ ተወንጫፊ ሚሳይል ((Intercontinental Ballistic Missile) ኰይኑ፡ ኣብ ጃፓን ስክፍታ ኣስዒቡ’ሎ። እንተኾነ፡ ኣብ ዝተሓሰበሉ ቦታ ከይበጽሐ እዩ ኣብ ባሕሪ ዓሊቡ። ሰሜን ኮርያ ኣብ ቀረባ እዋን ፈተነ ኒዩኵለር ክተካይድ እያ ዝብል ስግኣት ኣብ ዝሓየለሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ወጥሪ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ክልቲአን ኮርያታት፡ኣብ ጥቓ ማያት ነንሕድሕደን ሚሳይላት ተኲሰን እየን። ሰሜን ኮርያ ኣብ ሓደ መዓልቲ ካብ ዘወንጨፈቶም ሚሳይላት እቲ ዝበዝሐ ነይሩ። ሰሜን ኮርያ ብተደጋጋሚ ሚሳይል ተወንጭፍ ዘላ፡ ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ክሳብ ሕጂ እቲ ዝዓበየ ሓባራዊ ልምምድ ኣየር ኣብ ዘካይዳሉ ዘለዋ እዋን'ዩ። ሰሜን ኮርያ ነዚ ልምምድ፡ \"ተጻባኢን ተኹታዂን\" ክትብል ኣትሪራ ነቒፋቶ እያ። ትማሊ ሓሙስ ሰሜን ኮርያ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይል ከም ዝተኰሰት ላዕለዎት ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ደቡብ ኮርያ ይሕብሩ። እቲ ዝተተኰሰ በይነ-ክፍለ-ዓለማዊ ተወንጫፊ ሚሳይል ከምዝኾነ ሓደ ምንጪ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ። ንኣስታት 760 ኪሎ ሜትር ዝተወንጨፈ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ኣስታት 1,920 ኪሎ ሜትር ዝኸውን ብራኸ በጺሑ እዩ። ይኹን'ምበር፡ እቲ ሚሳይል \"ብፍሽለት ከምዝተዛዘመ እዩ ዝግመት\" ክብል፡ ሰራዊት ደቡብ ኮርያ ገሊጹ። ሰሜን ኮርያ ክልተ ናይ ሓጺር ርሕቀት ተወንጨፍቲ ሚሳይላት እውን ተኲሳ እያ። እዚ ድማ፡ መንግስቲ ጃፓን ትማሊ ሓሙስ ንጉሆ ኣብ ገለ ሰሜናዊ ዞባታታ ንዝርከቡ ነበርቲ ኣብ ውሽጢ ገዛ ክጸንሑ ዝሕብር ሳሕቲ ዝረአ ህጹጽ መጠንቀቕታ ክህብ ምኽንያት ኰይኑ እዩ። ጃፓን፡ ፈለማ እቲ ሚሳይል ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ከምዝነፈረ እኳ እንተገለጸት፡ ሚኒስተር ምክልኻል ያሱካዙ ሃማዳ ግና ድሒሩ \"ንደሴታት ጃፓን ከምዘይሰገረን፡ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ጃፓን ከምዝጠፍአን\" ሓቢሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ፉሚዮ ኪሺዳ ድሒሩ፡ ሰሜን ኮርያ \"ብተደጋጋሚ ዘወንጨፈቶም ሚሳይላት\" ብምኹናን፡ \" ዘቘጥዕ\" ተግባር ከምዝኾነ ገሊጹ። ኣሜሪካ፡ መደብ ሚሳይል ሰሜን ኮርያ ኣብ ልዕሊ ጎረባብቲ ሃገራትን ኣህጉራዊ ሰላምን ጸጥታን ዘስዕቦ ሓደጋ ዘመላኽት ምዃኑ ገሊጻ። ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ \"ንምክልኻል ሪፓብሊክ ኮርያን ጃፓንን ዝኣተናዮ ቃል ኪዳን ኣዝዩ ጽኑዕ ኮይኑ ክቕጽል’ዩ\" ኢሉ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኮርያ ቾ ሂዩን-ዶንግ፡ ትማሊ ሓሙስ ምስ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዌንዲ ሸርማንን ብቴሌፎን ዝተዘራረቡ ክኸውን ከሎ፡ ተግባር ሰሜን ኮርያ \"ዘሕዝን፡ ዘይ ስነ-ምግባራዊ\" ምዃኑ ከም ዝገለጹ ደቡብ ኮርያ ሓቢራ። ድሕሪ ምውንጫፍ እቲ በይነ-ክፍለ-ዓለማዊ ሚሳይል፡ ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን፡ ነቲ መደቡ ክሳብ ሎሚ ዓርቢ ዝነበረ ሓባራዊ ልምምድ ኣየር ከናውሓ ከም ዝተሰማምዓ ሓይሊ ኣየር ደቡብ ኮርያ ገሊጹ። እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ሰሜን ኮርያ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመታት ንፈለማ እዋን ኣብ ልዕሊ ጃፓን ተወንጫፊ ሚሳይል ምትኳሳ ስዒቡ እዩ። ሰሜን ኮርያ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ወጥሪ እናወሰኸ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተረኣየ ዝዛይድ ቁጽሪ ዘለዎ ፈተነ ሚሳይላት ኣካይዳ’ያ። ዋላ እኳ ፈተነ ከይተካይድ ዘዕንቅፉ እገዳታት እንተሃለዉ፡ ሰሜን ኮርያ ግና ካብ 2006 ክሳብ 2017 ንሽዱሽተ ፈተነታት ኒዩኵለር ከምዘካየደትን፡ ንሻብዓይ ግዘ ድማ ክትገብር መደብ ከምዘለዋን ይግመት። ንውሳነታት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብምጥሓስ ሰሜን ኮርያ፡ ኣብ ልዕሊ ጎረባብታ ስግኣት ንምፍጣርን ምናልባት’ውን ንኣሜሪካ ክትወቅዕ ተኽእሎ ንክህልዋን፡ ወተሃደራዊ ዓቕማ ምምዕባል ቀጺላ’ላ። ካብቶም ኣብ ረቡዕ ዝተወንጨፉ ሚሳይላት እቲ ሓደ፡ ካብቲ ሰሜናዊ ደረት መስመር (NLL) ዝበሃል ንክልቲአን ኮርያታት ዘካትዕ ዶብ ባሕሪ ሰጊሩ እዩ። እዚ ሚሳይል ካብ ግዝኣታዊ ማያት ደቡብ ኮርያ ወጻኢ’ኳ እንተዓለበ፡ ካብቶም ክሳብ ሕጂ ዝተወንጨፉ ግና፡ እቲ ናብ ዶብ ዝቐረበ ነይሩ። ደቡብ ኮርያ ብወገና፡ ነፈርቲ ውግእ ብምልኣኽ ካብ ኣየር ናብ መሬት ሰለስተ ሚሳይላት ብምትኳስ ምላሽ ሂባ። እዚ’ውን ካብቲ ኣካታዒ ሰሜናዊ ደረት መስመር ሰጊሩ እዩ። ትማሊ ረቡዕ ብድምር 23 ሚሳይላት ተኲሳ’ያ። እዞም ሚሳይላት ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት እታ ሃገር ከም ዝተወንጨፉ፡ ኣብ ኢንስቲትዩት ዮንሰይ መጽናዕቲ ሰሜን ኮርያ ዕዱም ምሁር ዝኾነ ኪም ጆንግ-ዳይ ይገልጽ። \"ደቡብ ኮርያን ኣሜሪካን መወንጨፊ እቶም [ሚሳይላት] እንተፈሊጠን ብልክዕ ክሃርምኦ ከምዝኽእላ ይኣምና። ሰሜን ኮርያ ግና ኣብ መላእ እታ ሃገር መወንጨፍታት ኣለዋ፤ ብተወሳኺ ድማ ብዙሕ ሸነኻዊ፡ ስርዓታውን ብሓንሳብን ሚሳይላት ምውንጫፍ ከም ትኽእል ተፈራርሕ’ያ ዘላ። እዚ ንመጀመርታ ግዘ ዝረኣኹዎ ኩነታት እዩ\" ክብል፡ ዋይቲኤን ንዝተበሃለ ማዕከን ዜና እቲ ከባቢ ተዛሪቡ። ካብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ኣብ ሰሜን ኮርያ ዝተቀላጠፈ ንጥፈታት ምስ ተራእየ፡ \"ናይዚ መዛዘሚ፡ ኒዩኵለራዊ ዓቕሞምን ቆራጽነቶምን ንምርግጋጽ፡ ሻብዓይ ፈተነ ኒዩኵለር ምክያድ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ\" ክብል፡ ኣብ ዉመን ዩኒቨርሲቲ ኤውሃ ፕሮፌሰር መጽናዕቲ ሰሜን ኮርያ ዝኾነ ፓርክ ወን-ጎን ንቢቢሲ ገሊጹ። \"ሰሜን ኮርያ ምስ ኣሜሪካ ኣብ ድርድር ኮፍ ንክትብል ጭቡጥ ደረጃ ኒዩኵለራዊ መንግስቲ ክትኰን ስለ እትደሊ፡ ኒዩኵለራ ክተወግድ እያ ኢልካ ምጽባይ፡ ክውንነታዊ ኣይኰነን\" ይብል፡ ፕሮፌሰር ፓርክ ወን-ጎን።","category":"ኒዩክሌራዊ ጸዓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cerdlj8ek4do"} {"headline":"ዛፖርዚዝያ፡ ብሩስያ ዝተታሕዘ ማእከል ኑክሌር ዩክረይን ማዕረ ክንደይ ሓደገኛ እዩ?","content":"ተቘጻጻሪ ኑክሌር ሕቡራት ሃገራት፡ ከባቢ እቲ ብሩስያ ተታሒዙ ዘሎ ገዚፍ ማእከል ኑክሌር ዩክረይን ካብ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሰ ነጻ ክኸውን ይጽውዕ ኣሎ። ዓለምለኻዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት (ኣይ ኤ ኢ ኤ) ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ከምዝሓበሮ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝፍጸሙ ዘለዉ ደብዳባት፡ ዛጊት ቅሉዕ ሓደጋ ኑክሌር'ኳ እንተዘይፈጠሩ፡ ራድዮሎጂያዊ ላሕዂ ጨረር ከስዕብ ዝኽእል ሓደጋ ናይ ምፍጣር ስግኣት ከምዘሎ ግን ገሊጹ። ሰብ ሞያ እቲ ትካል'ውን ኣብቲ ኣብ ማእከል ዓውደ ኲናት ዝርከብ ትካል ኑክሌር ጉድኣት ከም ዝወረደ ኣረጋጊጾም ኣለዉ። ሩስያ ንዩክረይን ዝወረረትሉ ኣብ ካልኣይ ሰሙኑ እያ ንመማዕበሊ ትካል ኑክሌር ዛፖርዚዝያ ተቘጻጺራቶ። ኣብ መንጐ ክልቲኦም ሓይልታት ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ናብቲ ማእከል እናቐረበ ምስመጸ፡ ኣብ ሓደ ህንጻ እቲ ትካል ባርዕ ሓዊ ተላዒሉ፤ እቲ ኵነታት ኣብ መላእ ኣውሮጳ ሻቕሎት ፈጢሩ ነይሩ። እቲ ማእክለ፡ ሽዱሽተ መብላዕልዒን፡ ብዙሕ ጓሓፍ ራድዮኣክቲቭ ዝቕመጠሉ ደርብታትን ኣለዎ። ኣብቲ እዋን ሓደ ሰራሕተኛ እቲ ትካል፡ ኣብቲ ማእከል “ቀጥታዊ ደብዳብ” ይፍጸም ከምዘሎን ካብቶም መብላዕልዒ ከምዝተጐደአን ተዛሪቡ ነይሩ። ኣብ ዛፖርዚዝያ ዘተላዕለ ባርዕ ሓዊ ቀልጢፉ ከም ዝጠፍእ ተገይሩ፤ እቲ ፍጻመ ግን ዓለምለኻዊ ውግዘት ኣስዒቡን ሕቡራት ሃገራት ቅልጡፍ ኣኼባ ክጽውዕ ምኽንያት ኰይኑን እዩ። ሩስያ ብወገና እቲ ባርዕ ሓዊ “ዩክሬናውያን ሽርሐኛታት” ዝወልዕዎ እዩ ኢላ። ካብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ፡ ሓይልታት ሩስያ ካብ ቀረባ ርሕቐት ናብ ዛፖርዚዝያ ይትኵሱ ከምዘለዉ ዝገልጽ ክሲ ብምቕራብ ነቲ ማእከል ዝምልከት ሻቕሎት ወሲኹ። ትካል ኑክሌር ዩክረይን ሩስያ ሮኬታት ብምትኳስ ኣብ ልዕሊ ዛፖርዚዝያ ጉድኣት ኣብጺሓ ኢሉ ክኸስስ እንከሎ፡ ሩስያ ድማ ሓይልታት ዩክረይን ናብቲ ማእከል ተኲሶም ኢላ። ነቲ ትካል ውሑስ ኰይኑ ክሰርሕ ካብ ዘኽእሎ መስመር ኤሌክትሪክ ወጻኢ ዘሎ ሓይሊ መብራህቲ እውን ብተደጋጋሚ ተቛሪጹ ነይሩ። እቶም መብላዕልዒ እንተተደብዲቦም ወይ ብሮኬት እንተተሃሪሞም ከጋጥም ዝኽእል ቀዳማይ ነገር፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ጨረር ንኸይወጽእ ዝተሰረሐ መከላኸሊ ጕድኣት ምውራድ እዩ። ዋላ'ኳ እቶም መብላዕላዕቲ ዝተወሰነ ደጋዊ ጸቕጢ ክጻወሩ ተገይሮም ዝተሰርሑ ክዀኑ እንከለው፡ ቀጥታ ዝትኮስ ኣጽዋር ግን ክጻወሩ ኣይክእሉን። መከላኸሊ ናይቲ መብላዕልዒ ወይ ስርዓተ ምዝሓል እንተተጐዲኡ ላሕዂ ጨረር (ራድየሽን) ከጋጥም ይኽእል እዩ። ነትጒ ኑክሌር ወይ ሃይድሮጅን እውን ከጋጥም ተኽእሎ ኣሎ። “ካብቶም መብላዕልዒ ሓደ፡ ብሮኬት እንተተሃሪሙ፡ እቲ ዘጋጥም ላሕዂ ኣብ ኣውሮጳ፡ ኣብታ ብሩስያ ዝተጐብጠት ክረሚያ፡ ከምኡ እውን ኣብ መላእ ዩክረይን ሳዕቤን ክህልዎ እዩ” ይብል ዩክሬናዊ ዘይሻራዊ በዓል ሞያ ኑክሌር ኦልሃ ኮሻርና። ሩስያዊ ምሁር ፊዚክስ ኣንድሬ ኦዝሃሮቭስኪ እውን ኣብ ዛፖርዚዝያ ሓደጋ እንተጋጢሙ፡ ኣብ ኣየር ነዊሕ ክጓዓዝ ዝኽእል ራድዮኣክቲቭ ሳይሲየም-137 ዝተባህለ ቅራር ኑክሌር ክወጽእ ከምዝኽእል የጠንቅቕ። እቲ ቅራር ኣብ ልዕሊ ጥዕና ደቂ ሰባትን መሬት ሕርሻን ከቢድ ጉድኣት ከብጽሕ ዝኽእልን እዩ። ብተወሳኺ ከም ኣንፈትን ጉልበትን ንፋስ ኣብ ርሑቕ ከባቢ ዝርከባ ሃገራት እውን ጉድኣት ከብጽሕ ይኽእል። ካብ መብላዕለዕቲ እቲ ትካል ብተወሳኺ መኸዘኒ ቅራር ዛፖርዚዝያ እውን ሓደጋ ክወርዱ ይኽእሉ እዮም። ንማእከል ኑክሌር ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ምፍጻም ብስምምዕ ጀኔቫ ዝተኸልከለ እዩ። ኣብቲ ብ1949 ዝተፈረመ ስምምዕ ጀኔቫ ፕሮቶኮል 1፡ ግድባት፡ መትረባትን ማእከላት ኑክሌርን መጥቃዕቲ ምፍጻም ክልክል እዩ፤ ውሕጅን ላሕዂ ጨረርን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ከቢድ ጉድኣት ከውርዱ ስለዝኽእሉ። ማእከል ጸዓት ንሲቪላዊ ዘይኰነስ ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝውዕል እንተዀይኑ ግን ዒላማ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ጥቓ ሓደገኛ ትሕቲ ቅርጺታት ዝተደኮኑ ወታሃደራዊ ዒላማታት እውን ተመሳሳሊ ሕጊ ተፈጻሚ ይኸውን። ንኸምዚኦም ዝበሉ ዒላማታት ምጥቃዕ ዝድገፍ ኣይኰነን። ዩክረይን ሰማይ ዛፖርዚዝያ ካብ በረራ ነጻ ክኸውን ንማሕበረሰብ ዓለም ሓቲታ እያ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ማእከል ክፍጸም ዝኽእል ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ዝከላኸል ጸረ ነፈርቲ ክቐርበላ ዝሓትት እዩ። እንተዀነ፡ እተን ዝድግፋኣ ዘለዋ ሃገራት፡ ሩስያ ብቐጥታ ኣብቲ ኲናት ከም ምስታፍ ከይትቘጽሮ ስለዝሰግኣ ዝሰምር ኣይመስልን።","category":"ኒዩክሌራዊ ጸዓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c4ne2l5rg5eo"} {"headline":"ሰሜን ኮርያ፡ ብሚሳይል ተሳኢሎም ዝበለቶም ምስሊ ዓለም ዘርጊሓ","content":"ሰሜን ኮርያ ካብ 2017 ጀሚራ ካብ ዝወንጨፈቶ ሚሳይላት ብሓንቲ ተሳኢሉ ዝበለቶ ምስሊ ዓለምና ካብ ሰማይ ዘርኢ ኣሳእል ዘርጊሓ። እቲ ኣብ መደበር ተለቪዥን እታ ሃገር ዝተዘርገሐ መስሊ ሓውሲ ደሴት ኮርያን ከባቢኡን ዘርኢ እዩ። ሰሜን ኮርያ ህዋሶንግ-12 ዝሰመየቶ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳኤል ፈተነ ከምዘካየደት ክትግልጽ እንከላ፡ ደቡብ ኮርያን ጃፓንን ብወገነን እቲ ሚሳኤል ቅድሚ ኣብ ጥቃ ጃፓን ኣብ ዝርከብ ማያዊ ክፋል ምዕላቡ ንሰማይ 2000 ኪሎሜተር ከምዝተወንጨፈ ገሊጸን። በዚ መሰረት እቲ ሰሜን ኮርያ ተማዕብሎን ፈተነ ተካይደሉን ዘላ ሚሳኤላት ካብ ሰሜን ኮርያ ተበጊሱ ናብ ኣመሪካ ክበጽሕ ከምዝኽእል እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ሰሜን ኮርያ፡ እቲ ኣሳእል ኣብ ጫፍ ኣካል ናይቲ ሚሳኤል ብዝተገጠመ ካሜራ ዝተሰኣለ ምዃኑ'ያ ገሊጻ። ሰሜን ኮርያ ኣብዚ ዓመት እዚ ንሻውዓይ ግዜ ዘካየደቶ ፈተነ ሚሳኤል ሃገራት ጃፓንን ደቡብ ኮርያን ኮኒነኦ ኣለዋ። ጃፓንን ደቡብ ኮርያን እቲ ሰሜን ኮርያ ዝወንጨፈቶ ሚሳኤል ኣብ ውሽጢ 30 ደቓይቕ 800 ኪሎሜተር ክጉዓዝ ከምዝኽኣለ ገሊጸን። ሕቡራት ሃገራት ንሰሜን ኮርያ ዝኾነ ዓይነት ሚሳኤል ከይትውንጭፍ'ኳ እገዳ እንተኣንበረላ እታ ሃገር ግን በቲ እገዳ ኣይተገትኣትን ዘላ። እታ ሃገር ኣብዛ ሓንቲ ወርሒ ጥራይ ተላዒላታ ዘላ ዓመተ 2022፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ሸውዓት ፈተነታት ሚሳኤል ኣኻይዳ ኣላ። ተንተንቲ ፖለቲካ ሓውሲ ደሴት ኮርያን ከባቢኡን ፕረዚደንት ኪም ጆንግ ኡን ተደጋጋሚ ፈተነታት ሚሳኤል ዝገብርሉ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት ንፕረዚደንት ጆ ባይደን ናብ ዘተ ንኽምለስ ንምግዳድ ዝዓለመ ከምዝኾነ'ዮም ዝገልጹ። ብዘይካ እዚ ቀንዲ መነሓንሕቲ ሰሜን ኮርያ ዝኾነት ደቡብ ኮርያ ኣብ ቀረባ ግዜ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ስለተካይድ፤ ነቲ ብሕጂ ዝምረጽ ፕረዚደንት ናይ ራዕዲ መልእኽቲ ንምልኣኽ ክኸውን ከምዝኽእል ዝግምቱ'ውን ኣለዉ።","category":"ኒዩክሌራዊ ጸዓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60194909"} {"headline":"ሰሜን ኮርያ፡ ሓዲሽ ዓይነት ሚሳኤል ሰሪሐ ፈቲነ ትብል","content":"ሰሜን ኮርያ እቲ ብሓሙስ ዘካየደቶ ፈተነ ሚሳኤል፡ ሓዲሽ ዓይነት ተመራሒ ሚሳኤል ምዃኑ ነቲ ዘካየደቶ ፈተነ ሚሳኤል ኣመልኪታ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ሓቢራ። እታ ሃገር ድሕሪ ኣስታት ሓደ ዓማት እያ ንመጀመርታ ግዜ ብሓሙስ ፈተነ ባላስቲክ ሚሳኤል ኣካይዳ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኸኣ ሰሜን ኮርያ ንመጀመርታ ግዜ እያ ፈተነ ባላስቲክ ሚሳኤል ኣካይዳ። ነቲ ብሰሜን ኮርያ ዝተኻየደ ፈተነ ባላስቲክ ሚሳኤል፤ ኣመሪካ፣ ጃፖንን ደቡብ ኮርያን ክኹንንኦ እንከለዋ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብወገኑ ሃገሩ ንተግበራት ሰሜን ኮርያ ተመጣጣኒ መልሲ ከምእትህበሉ ገሊጹ ኣሎ። ሰሜን ኮርያ ዝኾነ ፈተነ ናያ ባላስቲክ ሚሳኤል ከይተካይድ ብሕቡራት ሃገራት ከምዝተኣገደት ዝዝከር እዩ። ሰሜን ኮርያ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዘውጽአቶ መግለጺ፡ ክልቲኡ እቲ ፈተነ ዝተኻየደሉ ሚሳኤል 600 ኪሎ ሜተር ብምጉዓዝ ዕላምኡ ከምዝሃረመ ክትገልጽ እንከላ፡ ጃፓን ኣብ ዘውጽአቶ ሓበሬታ ግን እቲ ኣብ ባሕሪ ጃፓን ዝዓለበ ባላስቲክ ሚሳኤል ናይ ሰሜን ኮርያ፡ 430 ኬሎሜተር ጥራይ ከምዝተጓዓዘ እያ ገሊጻ። ነቲ ፈተነ ሚሳኤል ብመሪሕነት ዘካየደ ሪ ፕዮንግ ቾል ኣብቲ ሰሜን ኮርያ ዘውጽኣቶ መግለጺ \"እዚ ምምዕባል ሓዲሽ ዓይነት ሚሳኤልን ዕዉት ፈተነን፡ ንወተሃደራዊ ዓቕሚ ሃገርና ዘበርኽን ናይ ግዳም ወተሃደራዊ ስግኣታት ዘወግድን'ዩ\" ምባሉ ተሓቢሩ። ኣብ'ቲ ፈተነ ዝተኻየደሉ ኣጋጣሚ፡ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ከምዘይተረኸበ'ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ብመሰረት ካብ ፕዮንግዮንግ ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ እቲ ሚሳኤል ክሳብ 2.5 ቶን ናይ ምሽካም ዓቕሚ ዘለዎ ኮይኑ እዚ ኸኣ ኒኩለር ክሽከም ዓቕሚ ከምዘለዎ ዘርኢ'ዩ። ሰሜን ኮርያ ነዚ ፈተነ ዘካየደትሉ ምኽንያት ብንጹር ንምፍላጡ ዘሸግር እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ጆ ባይደን ጸቕጢ ንምፍጣር ክኸውን ከምዝኽእል ጋዜጤኛ ቢቢሲ ላውራ ቢከር ትሕብር። ሰሜን ኮርያ ነቲ ካብ ማልዥያ ናብ ኣመሪካ ተመሓላሊፉ ዝተወሃበ ሙን ቾል ምዮንግ ዝተብሃለ ዜጋኣ ዘለዋ ቁጠዓ ንምግላጽን ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊኣ ዘንበሮ ሓዲሽ እገዳ ንምቅዋምን ኢላ'ውን ነዚ ፈተነ ሓዲሽ ዓይነት ሚሳኤል ተካይዶ ትህሉ'ያ ዝብል ጥርጣረታት'ውን ኣሎ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን ድሕሪ እቲ ፈተነ ሚሳኤል ሰሜን ኮርያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ\"ግድን መልሲ ክውሃበሉ እዩ፡ ንሶም ነገራት ምብእኣስ ምርጨኦም እንተኾይኑ ንሕና'ውን ንተግባሮም መልሲ ክንህበሉ ኢና\" ኢሉ። ንሱ ብምስዓብ \"እንተኾነ ኣነ ሕጂ'ውን ዲፕሎማስያዊ ፍታሓት ንምምጻእ ይዳሎ ኣለኹ፡ እዚ ግን ናይ መወዳእታ ውጽኢቱ ሰሜን ኮርያ ዘለዋ ኒኵለራዊ ኣጽዋራት ንኸተምክኖ እዩ ክኸውን\" ኢሉ። ሰሜን ኮርያ፡ ባላስቲክ ሚሳኤል ከምዝተኮሰት እኳ ግሉጽ እንተኾነ፡ እንታይ ዓይነት ባላስቲክ ሚሳኤል እያ ፈተነ ኣካይዳ ዝብል ግን ንጹር ኣይኮነን ዘሎ።","category":"ኒዩክሌራዊ ጸዓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56534143"} {"headline":"ኪም ጆንግ-ኡን፡ ሰሜን ኮርያውያን ብዛዕባ 10 ዓመታት መሪሕነት ኪም","content":"ቅድሚ 10 ዓመታት፡ ንሚዲያታት ዓለም ዝተቖጻጸረ ሓደ ክስተት ሰሜን ኮርያ ነበረ። ጎደናታት ፒዮንግያንግ ብኣውያት ተመሊኦም፣ ዘጸናንዖም ዝስኣኑ ዝመስሉ ደንቢ ልብሲ ቤት ትምህርቲ ዝተኸደኑ ተመሃሮ ተንበርኪኾም፣ ተስፋ ዝቖረጻ ዝመስላ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ልበን ደጊፈን ይርኣዩ ነይሮም። እቲ ሓያል ቑጽጽር ዝግበረሉ ሃገራዊ ሚዲያ ድማ፡ ሰሜን ኮርያውያን \"ዝፈትውዎ\" መራሒኦም ኪም ጆንግ-ኢል ኣብ መበል 69 ዓመቱ ከም ዝሞተ ኣቃሊሑ። እቲ ግዜ 19 ታሕሳስ 2011 ዓ.ም ነይሩ። ድሕሪ እዚ ኣብ መላእ ዓለም ዝነበሩ ተንተንቲ ኮርያ ብዛዕባ ሓደ ሰብ ንምዝራብ ሰነዳቶም ከገላብጡ ተጓይዮም። ኪም ጆንግ-ኡን። ኣብ መበል 27 ዓመቱ፡ ዓብዪ ተካኢ መራሒ ሃገር ተባሂሉ። ዝኾነ ነገር ክሳኽዐሉ ከም ዝኽእል ዝገመቱ ግን ውሑዳት'ዮም። ሓደ ብዙሕ ዕድመን ተሞክሮን ዘለዎ ሕብረተሰብ ብኸመይ ክልቲኡ ብዘይብሉ ሰብ ይምራሕ? ብዙሓት ወተሃደራዊ ዕልዋ ክካየድ'ዩ ወይ'ውን ሙሁራት እታ ሃገር ስልጣን ክሕዙ'ዮም ዝብል ግምት ነይሩዎም። ዓለም ግን ነዚ ንኡሽቶ ውልቀ መላኺ ኣታሒታ ርእያቶ። ኪም ጂንግ-ኡን ስልጣኑ ጥራይ ዘይኮነ ኣደላዲሉ \"ኪም-ጆንግ-ኣውነት\" ዝብሃል ሓድሽ መዋእል'ውን እዩ ኣምጺኡ። ተቓወምቱ ኣጽርዩ፣ ኣማኢት ቐቲሉ ምስ ወድአ ትኹረቱ ናብ ዓለምለኻዊ ጉዳያት ኣዚሩ። ንፈተነ ኒዩክሌር 100 ባላስቲክ ሚሳይላት የወንጭፍ፤ ሕጂ ግን እቲ ዕረፍቲ ዘይብሉ ጻምእ ምውናን ኣጽዋር ኒኩሌር እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ። ሰሜን ኮርያ ኣብ ቅልውላው እያ ዘላ፤ ኣዝያ ድኻን ካብ ዓለም ዝተገለለትን ኮይና። ስለዚ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ እዚ ውልቀሰብ ዘሎ ህይወት እንታይ ይመስል? ላዕለለዎት ዲፕሎማት ዝርከቡዎም ዓሰርተ ነቲ ስርዓት ዝራሕርሑዎ ሰባት ዓሰርተ ዓመታት መሪሕነት ኪም ጆንግ-ኡን እንታይ ይመስላ ዝብል ርኢይቶኦም ሂቦምሉ ኣለው። ሓድሽ ጅማሮ ተመሃራይ ጂም ጂም-ሃዮክ ኣቦ ኪም ጆንግ-ኡን ኣብ ዝሞተሉ መዓልቲ ከቕትሎ ዝኽእል ሓደ ነገር ገይሩ። ገይላ ወይ 'ፓርቲ' እዩ ኣዳልዩ። \"ሓደገኛ'ዩ ነይሩ፤ ግን ሽዑ ተሓጒስና ነይርና\" ይብል። እቲ ኣብ በረድ ምንሽርታትን ስክዒት ኩዕሶ ምጽዋትን ዝፈቱ ኪም፡ ሓደሽቲ ሓሳባትን ለውጥን ዘልዕል ሓድሽ መንእሰይ መራሒ ክመጽእ'ዩ ዝደሊ ነይሩ። \"ካብኡ ብዙሕ እንጽበዮም ነገራት ነይሮምና፤ ኣብ ኤውሮጳ'ዩ ተማሂሩ። ስለዚ ልክዕ ከማና እዩ ዝሓስብ ዝብል ግምት ነይሩና\" ኢሉ። ጂም-ሃዮክ ካብ ዝተማህረ ስድራቤት ዝመጽአ ኮይኑ ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብ ቤጂንግ የጽንዕ ነይሩ። እዚ ውሑዳት ርኹባት ሰሜን ኮርያውያን ዝረኽቡዎ ዕድል'ዩ። ኣብ ቻይና ዝነበሮ ህይወት ብዛዕባ ዝሓሸ ዓለም ንክፈልጥ ኣብ ኢንተርነት ድማ ብዛዕባ ሃገሩ ዜና ክርኢ ዘኽኣሎ ነይሩ። \"መጀመርታ ኣይኣምኖን ነይረ፤ ምዕራባውያን ይሕስው'ዮም ዘለው [ብዛዕባ ሰሜን ኮርያ] ይብል ነይረ። ልበይን ኣእምሮይን ግን ተኸፋፊሉ። ርእሰይ ክትሪኦ የብልካን ይብለኒ፤ ልበይ ድማ ተወሳኺ ክርኢ ይህንጦ\" ይብል። 25 ሚሊዮን ሰሜን ኮርያውያን ኣብ ትሕቲ ስጡም ክትትል ዝግበሮ ኩነታት ዝነብሩ ኮይኖም፡ ብዛዕባ ካልእ ክፋል ዓለም ወይ ካልኦት ሃገራት ብዛዕባ ሃገሮም እንታይ ይብሉ ዝብል ውሑድ ነገራት እዮም ዝሰምዑ። እቲ መራሒ ድማ ፍሉይ ጸጋ ዝተዓደለን ንዕውትነቶም ዘድልዮም መለኮታዊ ፍጡር ከም ዝኾነ'ዮም ዝመሃሩ። ጂም-ሃዮክ፡ እዚ ሰብ ተተካኢ መራሒ ምዃኑ ሓደ ዝሓጽሮ ዝነበረ ስምዒት'ዩ ፈጢርሉ፤ ተስፋ። ካልኦት ግን ይጠራጠሩ ነይሮም። ኣብ ገለ ጎደናታት ፒኦንግያንግ ኪም ጆንግ-ኡን ነዚ ስልጣን ዝበቅዕ ኣይኮነን ዝብሉ ሕሜታት ይወጽኡ ነይሮም። ኣምባሳደር ኩዌት ነበር ሪዩ ያን-ው መሳርሕቱ እቲ ስልጣን ካብ ኣቦ ናብ ውላድ ብምትሕልላፉ ሕጉሳት ከም ዘይነበሩ ይዛረብ። \"መጀመርታ 'ሕጂ ኽኣ ካልእ ምትክኻእ?' እየ ኢለ። ሰሜን ኮርያውያን በዚ ውርሻዊ ምትኽኻእ ተሰላችዮም'ዮም ነይሮም። ብፍላይ ኣብ እቲ ዝተማህረ ሓድሽ ነገር ይደሊ ስለ ዝነበረ 'ዋእ ካልእ ዝተፈለየ ነገር ክመጽእ'ዶ ኣይግብኦን?' ኢና ኢልና\" ይብል። ስድራ ኪም፡ እታ ሃገር ካብ እትምስረት ካብ 1948 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ጀሚሩ'ዩ ነታ ሃገር መሪሑ። ዜጋታት እታ ሃገር ደም እዚ ስድራቤት ቅዱስ'ዩ ተባሂሉ'ዩ ዝንገሮም። እዚ ሓድሽ መራሒ ብ2012 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ዘስምዖ ዘረባ ሰሜን ኮርያውያን \"ዳግም ዕጣቖም ዘስጥምሉ\" ምኽንያት የለን ኢሉ ተዛሪቡ። በዚ፡ እታ ኣብ 1990ታት ምኽንያት ሞት ኣማኢት ኣሽሓት ዝኾነ ሓያል ጥምየት ተጠቒዓ ዝነበረት ሃገር እዚ ሓድሽ መራሒ ዜጋታት ዘጋጥሞም ሕጽረት መግብን መከራን ከብቅዕ ክገብር'ዩ ኢሎም ሓሲቦም። እዚ ኽኣ ዓብዪ ነገር ነይሩ። ሰብ መዚ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ወጻኢ ተወሳኺ ኢንቨስትመንት ወጻኢ ከመቻችኡ መምርሒ ተዋሂቡዎም። እማን ክኣ ገለ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ሰባት ለውጢ ክርእዩ ጀሚሮም። መራሒ መኪና ዮ ሲኦንግ-ጁ ኣብ ሱፐር ማርኬታት ሰሜን ኮርያ ገለ ቅድሚኡ ዘይነበሩ ነገራት ምርኣዩ ይዛረብ። \"ንዓና ክሳብ ዝደንቀናን እንሕበነሉን ናይ መግቢ ፍርያትና ብጣዕሚ፣ ምዕሻግን ቐረብን ካብ ቻይና ዝሓሸ'ዩ\" ኢሉ። ሰናይ ተምኒታት ኪም ጆንግ-ኡን ነቶም ከም ስግኣት ዝርእዮም ዝነበሩ ሰባት ትርጉም ኣይነበሮምን። ብፍላይ ኣኩኡ ጃንግ ሶንግ-ታክ ሓያል ኔትዎርክ መላፍንቲ ዘርጊሑ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ኣብ ጥቃ ዶብ ቻይና ዝነበረ ነጋዳይ ቾይ ና-ራ ጃንግ ሓድሽ መራሒ ሰሜን ኮርያ ግዲ ክኸውን እዩ ዝብል ግምት ፈጢሩሉ። \"መብዛሕትና ሃገርና ምስ ቻይና ዝምድና ክትጅምር እሞ ብነጻነት ናብ ወጻኢ ክንቀሳቐስ ኢና ዝብል ተስፋ ነይሩና\" ይብል። \"ሶንግ-ታክ ስልጣን እንተሒዙ ንሰሜን ኮርያ ብዙሕ ቑጠባዊ ለውጢ ከምጽኣላ እዩ ኢልና። እዚ ዓው ኢልና እንዛረቦ እኳ እንተዘይኮነ ከምዚ ዓይነት ተጽቢት ግን ነይሩና\" ኢሉ። ግንከ፡ ከምዚ ዓይነት ጽንጽንታ ቐልጢፉ ክቑጸ ኣለዎ። ስለ ዝኾነ ድማ ሶንግ-ታክ ካብ ከልቢ ዝኸፍአ\" ከምኡ'ውን \"ናይ ሰብ ሓተላ\" ተባሂሉ ሽሙ ምስ ጸለመ \"ኣሃዳዊ መሪሕነት ሰልፊ\" ኣናኢሱ ብዝብል ክሲ ተቐቲሉ። ድሮ እቲ መንእሰይ መራሒ ጨካን ምዃኑ ከርኢ ጀሚሩ። ስለ ዝኾነ ድማ ብዙሓት ህይወቶም ንምድሓን ናብ ደቡብ ኮርያ ብምህዳም ዕቑባ ክሓቱ ጀሚሮም። ንሱ ክኣ እዚ ጠጠው ከብሎ ወሲኑ። ኣብ ዶብ ዝግበር ሓለዋ ቅድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኣቐን በርትዐ። እቲ ዶብ ብመጻወድያ ሽቦ ሓጹር ግጥም ኣቢሉ ለኮቶ። ደላሊ ዝነበረ ሃ ጂን-ው ካብቶም ካብ ሰሜን ኮርያ ክወጽኡ ዝኽኣሉ 100 ሰባት እዩ። \"እታ ሃገር ፍሉይ ሓይሊ ጸጥታ ዶብ ኣለዋ። ክወጽእ ዝፈተነ ተኲስኹም ቅተሉ'ዮም ዝብሃሉ። ነዚ ክኣ ሓላፍነት ኣይወስድሉን\" ይብል። ወሲኹ \"መጀመርታ ፈሪሐ ነይረ፤ ንኡሽቶ'ውን ስለ ዝነበርኩ ብዛዕባ ሰሜን ኮርያ ብዙሕ ሕቶታት ነይሩኒ። መሰልን ናጽነትን ዘይብሉ ትሕቲ እንስሳ ዝኾነ ህይወት ንምንባር ስለ ምንታይ'የ ኣብዚ ተወሊደ? ዝብል ሕቶታት ስለ ዝነበረኒ ህይወተይ ኣብ ሓደጋ ኣእቲየ ክውስን ነይሩኑ' ኢሉ። ዕድል ገይሩ ግን ካብታ ሃገር ወጺኡ። እንተኾነ ኣዲኡ ተኣሲራ፤ ብሰንኪ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝበጽሓ ጨካን ኣተሓሕዛ ክኣ ሽባ ኮይና። በዚ ጂን-ው፡ ብዝተወሰነ መልክዑ ድምጺ ወላዲቱ ናብ ኣእምርኡ ስለ ዝቕልቀሎ ይሓዝን። ኪም ጆንግ-ኡን፡ ብሓደ ሸነኽ ንተቓወምቱን ነቲ ስርዓት ክሒዶም ዝወጽኡን ሰባት ክሃድን እንከሎ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ካብ ኣቡኡ ንላዕሊ ዘመናውን ሕውስውስ በሃልን መሲሉ ይቐርብ ነበረ። ዘመናዊት ንእትብሃል መንእሰይ ሪ ሶል-ጁ ክኣ ተመርዓወ። ናብ ዝተፈላለያ ከተማታትን ዓድታትን ሃገሩ ኣብ ዝገብሮ ምብጻሕ ምስ ሰባት እናተሓቛቖፈ፣ ሰላምታ እናሃበን እናስሓቐን ስእሊታት ይስኣል። ሰባት ኣብ ዝዘናግዑሎም ካብ ሓጺን ዝተሰርሑ መዛግዒ ቦታታት ብምጽዋት፣ ኣብ በረድ ብምንሽርታት፣ ፈረስ ብምግላብ ምቅሉል ምዃኑ ኣርኣየ። ምስ በዓልቲ ቤቱ ድማ ኣብ ፋብሪካታት መመላኽዒታት ዑደት ብምግባር ኣዝዮም ዘመነዎት ዝበሃሉ ምህርታት ንህዝቦም ኣርኣዩ። እንተኾነ \"ዘመናዊ\" ምምሳል ንተራ ሰሜን ኮርያውያን ዳርጋ ነውሪ ነበረ። ዮን ሚ-ሶ ክኣ ካብ ደቡብ ኮርያ ብሕቡእ ዝኣተው ዲቪዲታት ዝርኣየቶም ነገራት ክትገብር ድልየት ሓዲሩዋ። ሽቛር፣ ሃብል ክሳድን ጅንስን ስረን ክትገብር ደልያ። \"ሓደ መዓልቲ ተታሒዘ፤ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብዙሓት ሰባት ክሳብ ዝበኪ ድሂሎምኒ። 'ኣይትሓፍርን?' ኢሎምኒ\" ትብል። ስነ ጥበባዊት ዩን-ያንግ ልክዕ ከም በዓልቲ ቤት ኪም ጆንግ-ኡን መንእሰይ እያ። ኩሎም ደርፍታታ ግን ነቲ መራሕቲ ዘሞግሱ ክኾኑ ኣለዎም ተባሂላ። ነዚ ክትቃወሞ ምስ ፈተነት ተኣሲራ። \"ድሕሪኡ እቲ ኣነ ዝደልዮ ብናጽነት ክሰርሕ ኣይተፈቕደለይን። መንግስቲ ናይ ወጻኢ ጽልዋ ስለ ዝሰግእ ነቲ ኢንዳስትሪ ይቆጻጸሮ'ዩ። ኣነ'ውን ብዙሕ ተሳቕየ'የ\" ኢላ። ከም ጸብጻብ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ካብ ደቡብ ኮርያ ዝመጽኡ ቪድዮታት ብምዝርግሖምን ብምርኣዮምን ኣስታት ሸውዓተ ሰባት ተቐቲሎም። ኪም ጆንግ-ኡን ነቶም ናይ ወጻኢ ጽልዋታት \"ሓደገኛ መንሽሮ\" ክብል'ዩ ዝገልጾም። ሰሜን ኮርያ ባላስቲክ ሚሳይል ብዝተኮሰት ቑጽሪ ርእሰ ዜና ማዕኸናት ሓበሬታ ዓለም እያ ትኸውን፤ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ግን ክንድ'ቲ መንግስቲ ዝሓስቦ ሃገራዊ ኩርዓት ከዕቢ ኣይክኣለን። ሓደ ካብታ ሃገር ሃዲሙ ዝወጽአ ዜጋ \"ሕጂ'ውን ብደምን ረሃጽን ሰባት ኣጽዋር የማዕብሉ ኣለው'ዮም ዝብሉ\" ኢሉ። ካልእ ድማ \"ንሕና ግን ከም ዓወት ኣይንቖጽሮን። ነዝስ እዚ ኹላይ ገንዘብ ኣውጺኦም ኢና ንብል። ኩሉ ንዕኦም እንኸፍሎ ገንዘብ ነዚ የውዕሉዎ ኣለው ንብል\" ይብል። ኣብ 2016 ዓ.ም፡ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ወጻኢ ካብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ምስሓብ ወጻእ ዝኾነ ካልእ ዕማም ተዋህቦ። ኣምባሳደር ርዩ \"ሰሜን ኮርያ ኣጽዋር ኒኩለር ንምንታይ የድልያ ዝብል ከነረድእን መርትዖታት ከነቕርብን ተነጊሩና\" ኢሉ። ዲፕሎማሰኛታት ብዛዕባ እዚ ምዝራቦም ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ዓለም ከም ቅቡል ተገይሩ ክውሰድ'ዩ ዝብል ተስፋ ነይሩዎ። ግን ከምኡ ኣይኮነን። ኣብ ሞንጎ ፕሬዝደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕን ኪም ጆንግ-ኡንን ዝነበረ ብዲፕሎማሲያዊ ምርኢት ተኸንቢቱ'ዩ። ይኹን'ምበር እታ ሃገር ኣጽዋር ኒኩሌር ምምዕባል ጠጠው ከተብል ብዝብል ዝተነብረላ እገዳታት ክጸንዑ'ዩ ተራእዩ። \"እዚ ንህላወ እቲ ስርዓት ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ ሰሜን ኮርያ ጠጠው ኣይተብልን\" ይብል እቲ ኣምባሳደር። እዚ ዓለማዊ ለበዳ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2020 ንጎረቤታ ቻይና ክወራ እንከሎ፡ ሰሜን ኮርያ ዶባታ ዓጽያ። ንሰባት ጥራይ ዘይኮነ ኮላይ ንንግዲ። ኣብ መእተዊ በሪ ዳንጎንግ ዝበጽሑ መግብን መድሃኒታትን መእተዊ ስኢኖም። ልዕሊ 80 ሚኢታዊት ንግዲ እታ ሃገር ካብ ቻይና ዝመጽእ'ዩ። ኣብ ሰሜን ኮርያ መራሒ መኪና ዝነበረ ጁ ሴንግ \"ኮቪድ ካብ ዝመጽእ ንድሓር ብዙሕ ነገር ተቐይሩ\" ይብል። እቲ ዶባት ካብ ዝዕጾ ንድሓር ምስ ኣዲኡ ብዙሕ ኣይተራኸበን። \"እቲ ኢኮኖሚ የንቆልቁል ኣሎ፤ ዋጋታት ከቢሩ። ናብራ ኣጸጋሚ ኮይኑ፤ ስድራይ መግቢ ዝረኽቡ ይመስለኒ ግን ክቡር'ዩ። የጨንቐኒ'ዩ\" ኢሉ። ገለ ብጥምየት ከም ዝተጠቕዑ ዝገልጹ ጸብጻባት ኣለው። ኪም ጆንግ-ኡን እናነብዐ ኣብ ዘስምዖ ሓደ ዘረባ \"ዓብዪ ቅልውላው'ዩ\" ክብል ገሊጹዎ'ዩ። ኣብታ ሃገር ዶክተር ዝነበረ ኪም ሳንግ-ሂ መብዛሕትኡ መድሃኒት ብጸሊም ዕዳጋ ተዓዲጉ ከም ዝኣቱ ይዛረብ። ብተወሳኺ ሰሜን ኮርያ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምክልኻል ዘኽእሉ እታወታት ስለ ዘይብላ ብምክንያት እዚ ቫይረስ ዝስዕብ ዘሎ ሞት ኣይፍለጥን። ገለ ካብቶም ርኢይቶ ዝሃቡ ሰባት ብህልዊ ኩነታት እታ ሃገር ኣዝዮም ስምዒታዊ ኮይኖም ነይሮም። ዕልዋ መንግስቲ ክህሉ'ዩ ዝብል ግምት'ኳ እንተነበሮም ዋላ ሓደ ምልክት ብዘይምርኣዩ ርሑቕ ክኸውን ከም ዝኽእል ይገልጹ። ኩሎም እዚ ስርዓት ክገጥሙዎ'ዮም ዝተባህሉ ግምትታእ ፈሪሶም። ሕጂ'ውን እታ ንልዕሊ 70 ዓመታት ካብ ዓለም ተቖራሪጻ ዘላ ሃገር ዶባታ ክትኸፍትን ሰባት ብናጽነት ክንቀሳቐሱ ከተፍቅድን ትጽቢት ይገብሩ። መብዛሐትኦም ድማ ብውሑድ ስድራቤቶም ክርእዩ ይደልዩ። ኣብ ትሕቲ 10 ዓመታት መሪሕነት ጆንግ-ኡን እታ ሃገር ኣብ ቅልውላው ኮይና ዓሰርታት ሚሳይላት እንተሃለዎ'ውን ህዝቡ ግን ይጠምዩ'ዮም ዘለው። ኩሎም ነዚ ዛንታ ቃለ መጠይቕ ዝሃቡ ሰባት ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእቲዮም ካብ ሰሜን ኮርያ ብምውጻእ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝተዓቖቡ ኮይኖም ገሊኦም ኣብ ኣመሪካ ይርከቡ። ድሕነት ኣብታ ሃገር ዘለው ኣባላት ስድራቤቶም ንምሕላው ድማ ናይ ገሊኦም ሽም ተቐይሩ'ዩ።","category":"ኒዩክሌራዊ ጸዓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59694287"} {"headline":"ሰሜን ኮርያ ድሕሪ 2017 እቲ ዝሓየለ ሚሳኤል ፈቲና ተባሂሉ","content":"እቲ ካብ ሰሜን ኮርያ ዝተፈተነ ሚሳኤል፡ ቅድሚ ኣብ ባሕሪ ጃፓን ምዕላቡ ንሰማይ ልዕሊ 2 ሽሕ ኪሎሜትር ርሕቀት ተወንጪፉ ተባሂሉ። ጃፓን፣ ደቡብ ኮርያን ኣመሪካን ነቲ ኣብዚ ወርሒ ጥራይ ንሻብዓይ ግዜ ዝተፈተነ ኣጽዋር ኮኒነንኦ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰሜን ኮርያ ባሊስቲክን ኑክሌር ሚሳኤልን ከይትፍትን ተሪር ማዕቀብ ኣንቢሩላ ከምዘሎ ይፍለጥ። እንተኾነ መራሒ እታ ሃገር፡ ኪም ጆንግ-ኡን፡ ሃገሩ ንባዕላ ካብ መጥቃዕቲታት ናይ ምክልኻል መሰል ከምዘለዋ እዩ ዝሕነ። ቁጠባ እታ ሃገር ቅድም ክብል ካብ ኣመሪካ ብዝተነብራ ማዕቀብ ምኽንያት ኣብ ሕማቕ እዩ ዘሎ። ‘ፈተነታት ዘይምርግጋዕ’ ኣመሪካ፡ ሕዚ’ውን ሰሜን ኮርያ ዝፈተነቶ ሚሳኤል ብምኹናን፡ ከምዚ ዓይነት ዘይምርግጋዓት ዝፈጥር ምንቅስቓሳት ካብ ምግባር ክትቁጠብ ሓቲቱ። ሰሜን ኮርያ ኣብ ወርሒ ጥሪ ሸውዓተ ናይ ሚሳየል ፈተነተታ ኣካይዳ ኣላ። ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ” ሙን ጃይ-ኢን፡ እቶም ኣብዚ ወርሒ ዝተኻየዱ ፈተነታት ሚሳየል ኣብ 2017 ዝነበረ ኩነታት ዘዘኻኽሩ እዮም ኢሉ። ኣብቲ እዋን ካብ ዝተፈተኑ ኣጽዋራት ኑክለር ገሊኦም ኣብ ልዕሊ ጃፓን ዝወዓሉ እዮም ነይሮም። መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ደቡብ ኮርያ ከምዝበሎ፡ እቶም ሕዚ ዝተፈተኑ ሚሳኤላት ነቶም ኣብ 2017 ዝተፈተኑ ዝመሳሳሉ እዮም። ኣብ 2018 መራሒ ሰሜን ኮርያ፡ እቲ ፈተነ ዝተቐመጠ ደረት ዝሓለወ ከምዝኾነ ገሊጹ ነይሩ። እንተኾነ፡ ኣብ 2019፡ ደረት ዝበሃል ከምዘይህሉን ብእኡ ከምዘይቅየድን ኣፍሊጡ ነይሩ። ኣመሪካ፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥሪ ተወሰኽቲ ማዕቀባት ምንባራ ዝዝከር እዩ። ሰሜን ኮርያ ስለምንታይ እያ ሚሳኤላት ትፍትን ዘላ? ገለ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ከምዝብልዎ፡ ሰሜን ኮርያ ብበዝሒ እተካይዶ ዘላ ፈተነታት ክልተ ዓላማታት ዝሓዘ እዩ። ሓደ ኣብቲ ዞባ ኣጥርያቶ ዘላ ሓይሊ ንምርኣይን ሓደሽቲ ቴክኖሎጂ ንምፍታንን ዝዓለመ እንትኸውን፤ ካልኣይ ድማ፡ ኣመሪካ ናብቲ ቅድሚ ሕዚ ኣትያቶ ዝነበረት ናይ ሰላም ውዕል ንምምላስ ጸቕጢ ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ ይብሉ። ከምኡ’ውን እዚ ፈተነ ዝካየድ ዘሎ፡ ኣብ ቻይና ዝካየድ ዊንተር ኦሎምፒክስ እናተቐራበ ኣብ ዝመጸሉን፡ መረጻ ደቡብ ኮርያ ቅድሚ ምክያዱን ምዃኑ ትኹረት ዝስሕብ እዩ። ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ትሮይ ዘምህር፡ ዶክተር ፒንክስቶን፡ \"መረጻ ደቡብ ኮርያ ኣብ መጻኢ ወርሒ እዩ ዝካየድ፤ ስለዝኾነ ድማ፡ ነቲ ከም ብሓድሽ ዝምረጽ ፕረዚደንት መፈራርሒ መልእኽቲ እዩ” ኢልዎ። ወሲኹ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ህዝባዊ ምዝሕሓላት ይርአ ስለዘሎ፡ ናይቲ መሪሕነት ሓያልነት ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ ንምርኣይ ምዃኑ’ውን ሓቢሩ። ካልእ ተንታኒ ድማ፡ እቲ ፈተነ ሰሜን ኮርያ ነቲ ደቡብ ኮርያን ኣመሪካን ኣብቲ ከባቢ ሃኒጸነኦ ዘለዋ ስርዓት ኣጽዋራት ኑክሌር ዝብድህ ቴክኖሎጂ ሰሪሓ ከምዘላ ንምርኣይ እዩ ይብል። ደቡብ ክርያዊ ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ፕሮፌሰር ኪም ዶንግ ዩፕ፡ “ከም ጭራ ዕንቅርቢት ዝሰርሕ ምክልኻል ሰሪሓ ኣላ” ኢሉ። ቀንዲ ዓላማ ሰሜን ኮርያ ግና፡ ካልኦት ንምጥቃዕ ዘይኮነስ ነፍሳ ንምክልኻል ዝዓለመ ከምዝኾነ እዩ ዘገልጽ።","category":"ኒዩክሌራዊ ጸዓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60189397"} {"headline":"ጆ ባይደን: ንፑቲን 'ታክቲካዊ' ኣጽዋር ኑክሌር ከይጥቀም ኣጠንቂቑ","content":"ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆባይደን፡ ሩስያ ኣብ ኲናት ዩክሬን ኬሚካላዊ ይኹን ‘ታክቲካዊ’ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከይትጥቀም ኣጠንቂቑ። ባይደን፡ ምስ ሲቢኤስ ቴሌቪዥን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ኣብ ረብሐ እንተውዒሉ፡ \"ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መልክዕ’ቲ ኲናት ክቕይሮ'ዩ\" ኢሉ። ይኹን እምበር፡ ሩስያ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር እንተተጠቒማ ሃገሩ እንታይ ስጉምቲ ከም እትወስድ ኣይነጸረን። ድሕሪ ምጅማር ወራር ዩክሬን፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ኒኩለራዊ ሓይሊ ሃገሩ ኣብ \"ተጠንቀቕ\" ክኸውን ኣዚዙ ኣሉ። እዚ ዝገበረ ድማ፡ ካብ ምዕራባውያን ዝወጽኡ \"ተኣፈፍቲ መግለጺታት\" ስዒቡ ምዃኑ ሓቢሩ እዩ። ገለ ሃገራት፡ ንዝሓለፉ 80 ዓመታት ኣብ ዓለም ዝጸንሐ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከም ዋሕስ ሃገራዊ ድሕንነተን ይርእየኦ። ብመሰረት ሓበሬታ ፈደሬሽን ሊቃውንቲ ኣመሪካ፡ ሩስያ ኣስታት 5,977 ምስ ኒዩክለር ዝተኣሳሰሩ ኣጽዋራት ኣለዉዋ። እንተዀነ፡ ሩስያ ነቲ መሳርሒታት ኲናት ክትጥቀመሉ ትጽቢት ኣይግበርን። ‘ታክቲካዊ’ ብዝብል ኣገላልጻ ዝፍለጥ፡ ናይ ሓጺር ርሕቀት ኣጽዋር ኑክሌር እንትኸውን፡ ‘ስትራተጂካዊ’ ኒዩክለር ድማ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይላት ዘጠቓልል እዩ። ፑቲን፡ ኣብ’ቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ዩክሬን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ክጥቀም እንተሓሲቡ፡ እንታይ መልእኽቲ ክሰድድ ከም ዝደሊ ብሲቢኤስ ዝተሓተተ ጆ ባይደን፡ \"ዓገብ! ግደፍ! ግደፍ!\" ዝብል ምላሽ ሂቡ። ኣመሪካ፡ ድሕሪ ምጥቃም ኒዩክለራዊ መጥቃዕቲ እንታይ ስጉምቲ ከም እትወስድ ኣመልኪቱ ንዝቐረበሉ ሕቶ ድማ፡ \"እንታይ ከም ዝኸውን ብልክዕ እንተዝፈልጥኸ ምነገርኩኻ ይ መስለዶካ? ርግጽ ኣይነግረካን እየ። ሳዕቤን ክህልዎ እዩ\" ክብል ጆ ባይደን መልሲ ሂቡ። \"ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ድማ ኣብ ዓለም ‘ፉንፉን’ ተገይሩ ክረአ እዩ። ከከም ብርኪ ናይቲ ዝገብርዎ ድማ፡ እንታይ ምላሽ ከም ዝመጽእ ክውስን'ዩ።\" እቲ ኣብ ዩክሬን ዝተኻየደ ኲናት ከምቲ ሩስያ ዝተስፈየቶ ጽቡቕ ኣይሰጎመን ኣሎ። ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት፡ ዩክሬን ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዞባ ካርኪቭ ዝርከብ ልዕሊ 8 ሽሕ ትርብዒት ኪሎ ሜተር መሬት ዳግማይ ካብ ወራር ሩስያ ከምዘምለሰት ይንገር። ፕረዚደንት ፑቲን፡ ዩክሬን እትገብሮ ዘላ እዚ ዕዉት ጸረ-መጥቃዕቲ፡ ነቲ ሩስያ ክትሰርሖ ዝሓንጸጸቶ መደብ ደው ከምዘየብሎ ተዛሪቡ።።","category":"ኒዩክሌራዊ ጸዓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/crgx953073eo"} {"headline":"ሩስያ ንሓላፊ ማእከል ኑክሌር ዛፖሪዚዝያ ከምዝኣሰረቶ ዩክረይን ከሲሳ","content":"ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ዩክረይን፡ ንሓላፊ ማእከል ኑኩሌር ዛፖሪዚዝያ ከምዝኣሰርዎ ትካል ኑኩሌር ዩክረይን ኢነርሆቶም ኣፍሊጡ። ሓላፊ ማእከል ኒኩሌር ዛፖሪዚዝያ ኣይሆር ሙራሾቭ ካብ ስርሑ፡ ኣብቲ ከባቢ ናብ እትርከብ ከተማ ኢነርሆዳር ብመኪና ይጓዓዝ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ብቕድሚ ትማሊ ዓርቢ ከምዝተትሓዘ ተገሊጹ። እቲ ሓላፊ ኣብ ከተማ ኢነርሆዳር ናብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተወሲዱ ክኸውን ከምዝኽእል ፕረዚደንት ትካል ኢነርሆቶም ንቢቢሲ ሓቢሩ። ሩስያ ግን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዛጊድ ዝሃበቶ ምላሽ የለን። ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ነቲ ኣብ ኣውሮጳ ዝዓበየ ማእከል ኑኩሌር ድሕሪ ምቍጽጻራ፡ ዩክሬናውያን ሰራሕተኛታት ስርሖም ቀጺሎም’ዮም። ሩስያን ዩክረይንን ኣብቲ ማእከል ኑክሌር ከቢድ ብረት ስለዝተተኮሰ ነንሓድሕደን ይካሰሳ። ፕረዚደንት ትካል ኑኩሌር ዩክረይን ኢነርሆቶም፡ ፔትሮ ኮቲን ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ውሕስነት እቲ ማእከል ኑኩሌርን ሓላፍነትን ኣብ እንግድዓ ሙራሾቭ ከምዝዀነ ተዛሪቡ። ንሱ ኣስዒቡ ማእሰርቲ ሓላፊ ማእከል ኒኩሌር ዛፖሪዚዝያ ድሕነትን ስራሕን እቲ ካብ ኣውሮጳ ዝዓበየ ማእከል ኒኩሌር ዩክረይን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ስጉምቲ ከምዝኾነ ሓቢሩ’ሎ። እቲ ፕረዚደንት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ማእሰርቲ ሙራሾቭ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዛፖሪዚዝያ ዝርከበሉ ግዝኣት ሓዊስካ ኣርባዕተ ክልላት ዩክረይን ናብ ሩስያ ከምዝኣተዋ ብወግዒ ምግላጹ ስዒቡ ከምዝዀነ ገሊጹ። ተወከልቲ ትካል ተቘጻጻሪ ኑኩሌር ሩስያ ዝዀነ ሮሳቶም ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ማእከል ኑኩሌር ዛፖሪዚዝያ ምብጻሕ ከምዘካየዱ ዝሓበረ ኮንቲን፡ እቲ ከባቢ ናብ ሩስያ ስለዝተጠቓለለ ምሕደራ እቲ ማእከል ካብ ዩክረይን ናብ ሩስያ ክስገጋር ተኽእሎ ከምዘሎ ሓቢሩ። ኮንቲን ኣስዒቡ መጭወይቲ ሙራሾቭ ነቲ ማእከል ኑኩሌር ካብ ዩክረይን ናብ ሩስያ ንምስግጋር ዝዓለመ ስጕምቲ ከምዝዀነ’ዩ ዝኣምን። “ማእከል ኑኩሌር ዛፖሪዚዝያ ካብ ዩክረይን ናብ ሩስያዊ ትካል ሮሳቶም ንምስግጋር ዝሓሰብዎ ውጥን ክቕበሎም’ዮም ጻዕሪ ዝገብሩ ዘለዉ። እንተኾነ ርግጸኛ እየ በንጻሩ ደው ከምዝብል። ምኽንያቱ ቅድሚ ሕጂ ብተደጋጋሚ ዕላማታት ሩስያ ዝነጸገ ሰብ’ዩ” ኢሉ። ፕረዚደንት ናይቲ ማእከል ትካል ዓለምለኸ ኣቶማዊ ሓይሊ ሓላፊ ማእከል ኑኩሌር ዛፖሪዚዝያ ብቕልጡፍ ክፍታሕ ክጠልብ ከምዘለዎ ጸዊዑ። ኮንቲን ንሩስያ ኑኩሌራዊ ራዕዲ ብምፍጣር’ዩ ዝኸሳ። '6 ሪኣክተር' ዘለዎ ማእከል ኑኩሌር ዛፖሪዚዝያ ኣብ ጥቓ ኢነርሆዳር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሩስያ ኣብ ዝርከብ ግዝኣት ዩክረይን ዝዀነ ደቡባዊ ዛፖሪዚዝያ ዝተደኮነ እዩ። ዩክረይን ወተሃደራት ሩስያ ነቲ ማእከል ከም ድፋዕ ይጥቀምሉ ከምዘለዉ’ያ እትኸስስ። ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ግዝኣታት ዛፖሪዚዝያ፡ ኬርሶን፡ ዶነስክን ሉሃንስክን ናብ ሩስያ ከምዝተጸምበራ ብወግዒ ዝኣወጀ ኰይኑ ብዩክረይን ኮነ ምዕራባውያን ሃገራት ተነጺጉ’ሎ። ሩስያ ኣብተን ናብ ግዝኣታ ኣጠቓሊለየን’የ ኢላ ዝኣወጅትለን ቦታታት ምሉእ ቁጽጽር የብላን።","category":"ኒዩክሌራዊ ጸዓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c2vlvq6yd02o"} {"headline":"ኢራን ተመራማሪ ሞህሰን ፋክህሪዛዴህ፡ 'ብርሕቐት ብእትቈጻጸሮ ኣጽዋር ተቐቲሉ' ኢላ","content":"ኢራን፡ ተመራማሪ ኒኩሌር ማህሰን ፋክህሪዛዴጅ፡ 'ብርሕቐት ብዝቖጻጸር' ኣጽዋር ከምዝተቐለተ ገሊጻ። እቲ ቅትለት ብእስራኤልን ኣብ ስደት ዝርከብ ሓደ ተቓዋሚ ሰልፊ ኢራንን ከምዝተኻየደ'ውን ኢራን ትኸስስ። ላዕለዋይ ሃገራዊ ሓላፊ ድሕነት ዓሊ ሻምክሃኒ ከምዝሓበሮ፡ እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ \"ኤሌክትሮኒካዊ ናውቲ ተጠቒሞ'' ንመኪና እቲ ተመራማሪ ከምዘቓጸልዋ ገሊጹ። እስራኤል ክሳብ ሕጂ ዝሃበቶ ወግዓዊ ምላሽ የለን። ኣብ መጀመርታ 2000፡ ፋክህሪዛዴክ ፕሮግራም ኒኩሌር ኢራን ኣብ ምምዕባል ዓብዪ ግደ ዝተጻወተ ተመራማሪ ኮይኑ፡ ኢራን እቲ ምምዕባል ኒኩሌር ንሰላማዊ መዓላ ዝውዕል'ዩ ትብል። እንተኾነ፡ ብምኽንያት እዚ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ኢራን ቑጠባዊ ማዕቐባት ኣንቢረን እየን። ንምዃኑ እቲ ተመራማሪ ብኸመይ ሞይቱ? ኢራን፡ ፋክህሪዛዴክ ብዝተፈጸመሉ መጥቃዕቲ ክቖስል እንከሎ፡ ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ቴክራን ከተማ ኣብሳርብ ዝነበረት መኪንኡ ድማ ብጠያይቲ ተሃሪማ ተቓጺላ ትብል። ኣብ ልዕሊ እታ መኪና ናይ ቦንባ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ'ውን ትገልጽ። ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተዘርግሑ ምስሊታት ድማ፡ ስብርባርን ደምን ከምኡ'ውን ብዓረር ጥይት ዝተሃረመት መኪና የርእዩ። ኣብ መጀመርታ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር፡ ኣብ ሞንጎ ሓለውቲ እቲ ተመራማርን መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባትን ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ ነይሩ ክብል መግለጺ ሂቡ። ሓደ ኢራናዊ መሰኻኽር ዓይኒ'ውን፡ \"ግበረ-ሽበራውያን ዝተባህሉ ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ዝኾኑ ሰባት ተቐቲሎም\" ኢሉ። መራኸብቲ ማዕኸናት ኢራን ከኣ፡ ተመራማሪ ፋክህሪዛዴክ 'ብርሕቐት ብእትቖጻጸሮ ብረት' ወይ ድማ \"ብሳተላይት\" እዩ ተቐቲሉ ይብላ። ብሰኑይ ከኣ፡ ሓላፊ ቤት ምኽቲ ድሕነት እታ ሃገር ሪር ኣድሚራል ሻምክሃኒ፡ \"ፍሉይ ኣገባብ\" ብምጥቃም \"ብርሕቐት\" ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እዩ ኢሉ። \"ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ልኡኽን ብኤሌክትሮኒካዊ ናውትን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ\" እዩ ክብል እንከሎ፡ \"ሽዑ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን\" ኢሉ። ትካላት ድሕነትን ስለያን እታ ሃገር፡ ፋክህሪዛዴክ ንምቕታል ውጥን ከም ዘሎን እቲ መጥቃዕቲ ኣበይ ይፍጸም ዝብልን ሓበሬታ ከም ዝነበሮም ሓቢሩ። ነዚ ከኣ፡ ኣብ ስደት ንዝርከብ ተቓዋሚ ሰልፊ ሙጃሂዴን ክሃልቅን እስራኤን ተሓተትቲ'ዮም ኢሉ። ሚኒስትሪ ድሕነት እስራኤል ኤሊ ኮሄን ብሰኑይ ንሓደ ሬድዮ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ መን ከም ዝቐተሎ ኣይፈልጥን ኢሉ'ዩ። እንተኾነ፡ ኒውዮርክ ታይምስ ሽሙ ይረቑሖ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እስራኤል \"ፋክህሪዛዴክህ ዝመርሖ ፕሮግራም ኒኩሌር ኢራን ንዓለም ስግኣት ስለ ዝኾነ፡ ዓለም ንእስራኤል ክተመስግን ኣለዋ\" ኢሉ። እስራኤልን ምዕራባውያንን፡ እቲ ተመራማሪ ገባሪ ሓዳግን ፕሮግራም ኒኩሌር ኢራን'ዩ ኢሎም ይኣምኑ። ከም ጸብጻብ ፎርብስ እንተኾይኑ ድማ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብርሑቕ እትቆጻጸሮም ኣጽዋርን ናይ መሽን ጠመንጃታትን ብሰፊሑ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል። ስነ ስርዓት ቀብሪ ኢራናዊ ተመራማሪ ኒኩሌር ፋክህሪዛዴክ ትማሊ ኣብ ቴህራን ተፈጺሙ። ሚኒስትር ሃገራዊ ድሕነት መሓመድ ኣላቪ፣ ኣዛዚ ሓለዋ ሰውራ ጀነራል ሑሴን ሳላሚን ሓላፊ ፕሮግራማት ኒኩሌር ዓሊ ኣኽባር ሳሌሕን ኣብቲ ስርዓተ ቀብሪ ተረኺቦም። ጀነራል ሑሴን፡ \"ዝደለናዮም ጉዳያት ከም እንበጽሐሎም ጸላእትና ክፈልጡ ይግባእ። ብህዝቢ ኢራን መልሲ ዘይረክብ ገበን፣ ተግባር ራዕድን ካልእ ሕማቕ ተግባርን ከም ዘየለ ከኣ ይፈልጡ'ዮም\" ኢሉ።","category":"ኒዩክሌራዊ ጸዓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/55141222"} {"headline":"ሰሜን ኮርያ፡ ፖሊሲ ምምሕዳር ባይደን ኣብ መደብ ኑክሌር፡ 'ጽልኢ ዝጽሕትር’ዩ' ኢላቶ","content":"ሰሜን ኮርያ፡ ኣመሪካ ንጉዳይ መደብ ኑክሌር ሰሜን ኮርያ ኣመልኪታ ስትራተጂ ኣብ እትቐርጸሉ እዋን፡ ምምሕዳር ባይደን ዝኽተሎ ፖሊሲ ኣብ \"ቅርሕንትን ጽልእን ዝተደረኸ እዩ\" ክትብል ነቒፋ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰሜን ኮርያ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ቀረባ እዋናት ካብ ዋሺንግተን ዝንጸባረቑ ዘለዉ ርእይቶታት፡ ምምሕዳር ባይደን ክንደየናይ ዝኣክል ኣብ 'ጽልእን ቅርሕንትን' ዝተመርኮሰ ፖሊሲ ከምዝኽተል መርአያ እዩ ኢሉ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ፕረዚደንት ባይይደን ፡ ንመደብ ኑክሌር ሰሜን ኮርያ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ መደብ ኑክሌር እታ ሃገርን ኢራንን፡ ንዓለምለኸ ድሕነት ሓደገኛታት ኢልወን። መንግስቲ ኣመሪካ፡ ምስ መሓዝቱ ኾይኑ ኣዝዩ ዝተመኸረሉ ናይ ለበማት መገዲ ንምኽታል ትልሚ ከምዘለዎ ድማ ተዛሪቡ። ወሃቢት ቃል፡ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ጄን ፕሳኪ፡ ሓድሽ ምምሕዳር ባይደን ናይቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ምምሕዳራት ኣመሪካ ዝተኸተልዎ ፖሊሲ ከምዝግምግምን፡ መደብ ኑክሌር ሰሜን ኮርያ ጠጠው ከብልሉ ዘይከኣሉ ምኽንያት ከምዘጽንዖን ተዛሪባ። ንሳ ከምዝበለቶ፡ ባይደን ካብ ውድቀት ፖሊስ'ቶም ዝሓለፉ ምምሕዳራት ተማሂሩ ነቲ መደብ ምምዕባል ኑክሌር ሰሜን ኮርያ ዝገትእ ፖሊሲ ክኽተል እዩ። \"ፖሊሲና ዓብዪ ድርድር ኣብ ምግባር ዝተመርኮሰ ኣይኮነን፤ ዓቕሊ ዝበዝሖ'ውን ኣይክኸውንን\" ኢላ። ንሳ፡ ኣብ ክንድኡ፡ \"ምስ ሰሜን ኮርያ ተዓጻጻፊ ዲፕሎማስን ንዕኡ ክፉት ብዝኾነን ምኩርን ተግባራውን ፖሊሲ እዩ ክኽተል\" ኢላ። ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካን መሻርኽታን ኣብ ምምሕያሽ ግብራዊ ውጽኢት ከምዝህልዎ ድማ ኣተስፍያ። እቲ ዝተገብረ ግምገማ ብዝምልከት፡ ኣመሪካ ኣማኸርቲ ሃገራዊ ድሕነት ጃፓንን ደቡብ ኮርያን ተቐቢላ ዝርርብ ከምእትገብረሉ ተፈሊጡ። ኣብ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሐን ዝወጽአ መግለጺ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሰሜን ኮርያ፡ ጆ ባይደን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንኣባላት ኮንግረስ ዝተዛረቦ፡ 'ዘይንጻወሮ ዓብዪ ጌጋ' ኢልዎ። ኣብ'ቲ ሚኒስትሪ፡ ሓላፊ ጉዳያት ኣመሪካ፡ ክዎን ጆንግ-ጋን፡ \"እቲ መግለጺኡ ኣብ ኣመሪካ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ንልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ዝተኸተለቶ ኣብ ጽልእን ቅርሕንትን ዝተመርኮሰ ፖሊሲ ከምእትቅጽሎ ዘርኢ እዩ\" ካልእ ካብቲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝተውሃበ መግለጺ ድማ፡ እቲ ካብ ኣመሪካ ክወሃቡ ዝጸንሑ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰበኣዊ መሰላት ሰሜን ኮርያ ድማ፡ ንመራሒ እታ ሃገር ኪም ጆንግ-ኡን ጸርፊ እዩ ብምባል፡ ሕዚ ግን ንግጥም ትዳሎ ከምዘላ ዘርኢ እዩ ይብል። ኣመሪካ፡ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ሰሜን ኮርያ ዝከታተል ፍሉይ ልኡኽ ናብ ሰሜን ኮርያ ክትልእኽ ትዳሎ ከምዘላ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ዝተውሃበ ርእይቶ ግን ንኣየናይ መግለጺ ዝምልከት ከምዝኾነ ኣይተፈልጠን። ሰሜን ኮርያ፡ ዛጊድ ንፕረዚደንት ጆ ባይደን ከም ፕረዚደንት ኣመሪካ ገይሩ ኣፍልጦ ኣይሃበትን ኣላ። ባይደን ኣብ እዋን ጎስጓስ መረጻ፡ ንፕረዚደንት ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡን 'ጽሉል' ክብል ምጽራፉ ዝዝከር እዩ። ኪም ብወገኑ ድማ፡ ፕረዚደንት ባይደን ናብ ቤተ መንግስቲ ቅድሚ ምእኣታዉ ኣብ ዝተዛረቦ፡ ኣመሪካ እታ ዝዓበየት ኣንጻር ሃገሩ 'ቀንዲ ጸላኢት' ከምዝኾነትን፡ መደብ ምልሓም ኑክሌር ኣበርቲዑ ከምዝቕጽለሉን ተዛሪቡ ነይሩ። ዶናልድ ትራምፕ፡ ንፕረዚደንት ኪም ብቐጥታ ብምርካብ ፈላማይ ፕረዚደንት እንትኸውን፡ ሰለስተ ግዜ ብኣካል እንተተራኸቡ'ኳ፡ ኣብ ጉዳይ ምቁራጽ መደብ ኑክሌር ኮነ ኣብ ምልዓል እገዳታት ኣብ ሓደ ዝኾነ ሰምምዕ ክበጽሑ አይከኣሉን።","category":"ኒዩክሌራዊ ጸዓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56927300"} {"headline":"ሩስያ ኣብ ሓድሽ ዓመት ዓቢ ምድራዊ መጥቃዕቲ ክትፍጽም መደብ ኣለዋ - ዩክረይን","content":"ኣብዚ ቀረባ እዋን ወተሃደራዊ ዕንቃፋት ዘጋጠማ ሩስያ፡ ኣብ መጀመርታ ሓድሽ ዓመት ሰፊሕ ናይ ምድሪ መጥቃዕቲ ክትፍጽም መደብ ኣለዋ ክትብል ዩክረይን ከሲሳ። ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪን ላዕለዎት ሰበስልጣንን፡ ዩክረይንን መሻርኽታን ካብ ምስትርሓው ክጥንቀቑ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቦም። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ዶንባስ፡ ኣብ ደቡብ፡ ወይ ድማ ናብ ኪየቭ ገጹ ከይተረፈ ክመጽእ ከምዝኽእል እቶም ላዕለዎት ጀነራላት ይገልጹ። ምዕራባውያን ተንተንቲ፡ ሩስያ ዕዉት ምድራዊ ስርሒታት ንምክያድ ዘለዋ ዓቕሚ ብቕልጡፍ እናነከየ ይኸይድ ኣሎ ይብሉ። ኣብዚ ሰሙን እቲ ዝለዓለ ወተሃደራዊ መኮነን ብሪጣንያ ኣድሚራል ሰር ቶኒ ራዳኪን፡ እቲ ኲናት ንሩስያ እናኸፍአ ጥራይ እዩ ክኸይድ ዝኽእል ክብል ገሊጹ ነይሩ። ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕጽረት ተተኮስቲ መዳፍዕ ኣጋጢምዋ ከምዘሎ’ውን ወሲኹ ሓቢሩ። ሚኒስተር ምክልኻል ዩክረይን ኦሌክሲ ረዝኒኮቭ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ተኸታታሊ መግለጺ፡ እታ ተኸታታሊ ክሳራታት ዓውደ ውግእ ዘጋጠማ ሩስያ፡ ሓድሽ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ክትገብር መደብ ከምዘለዋ መርትዖታት ይውስኹ ከምዘለዉ ይገልጽ። እዚ፡ ፍርቂ ካብቶም ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ንሩስያ ንምድጋፍ ዝተመልመሉ 300 ሽሕ ወተሃደራት ልምምድ ኣብ ዝዛዝምሉ ወርሒ ለካቲት ክፍጸም ከምዝኽእል ይግመት። \"ካልኣይ ክፋል ናይቲ ምልዕዓል፡ 150 ሽሕ ብግምት... እንተወሓደ ንሰለስተ ኣዋርሕ ምድላው ክገብሩ እዮም። ምናልባት ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተገብረ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝቕጽል ማዕበል መጥቃዕቲ ክጅምሩ ክፍትኑ እዮም ማለት እዩ። እዚ እዩ መደቦም\" ክብል እቲ ሚኒስተር ምክልኻል ንጋዜጣ ጋርድያን ሓቢሩ። \"ክረምሊን ብኸመይ ዓወት ከም እትረክብ ሓድሽ መፍትሒታት ንምርካብ ትጽዕር ኣላ\" ዝብል እቲ ዩክሬናዊ ሚኒስተር፡ ሩስያ ተወሰኽቲ ዜጋታት ከተሰልፍ ትጽቢት ከምዘለዎ ገሊጹ። ሓድሽ መጥቃዕቲ ሩስያ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣብ ወርሒ ጥሪ ክፍጸም ይኽእል’ዩ፡ ኣብ ጽድያ ግን ዝያዳ ተኽእሎ ኣሎ ክብል ዘ ኢኮኖሚስት ትማሊ ሓሙስ ጸብጺቡ። ዘ ኢኮኖሚስት፡ እቲ ገምጋም ካብ ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ጀነራል ቫለሪ ዛሉዝኒን ጀነራል ኦሌክሳንድር ሲርስኪን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ዝመጸ ከምዝኾነ’ውን ጠቒሱ። ሓላፊ ሰራዊት ዩክረይን ጀነራል ዛሉዝኒ፡ \"ሩስያውያን ኣስታት 200 ሽሕ ሓደስቲ ወተሃደራት የዳልዉ ኣለዉ። ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ካልእ ፈተነ ከም ዝፍጽሙ ኣይጠራጠርን\" ኢሉ። ሩስያ \"100 ሚእታዊት ተዳልያ ኣላ\" ዝበለ ጀነራል ዛሉዝኒ፡ ናይ ዩክረይን \"ኣዝዩ ኣገዳሲ ስትራተጂካዊ ዕማም...ነቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ወይ ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ እንተኸፍአ ድማ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ንዝጅምር ኲናት ዕቑር ሃብቲ ምድላው እዩ\" ይብል። \"ብዶንባስ ዘይኮነስ ብኣንፈት ኪየቭ፡ ብኣንፈት ቤላሩስ ክጅመር ይኽእል'ዩ፡ ግን ብኣንፈት ደቡባዊ'ውን ይጥርጥር\" እቲ ዩክሬናዊ ወተሃደራዊ ኣዛዚ። ክልቲኦም ወገናት ኣብ በዓል ልደት ዕርቂ ከምዘይህሉ ዝገለጹ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ነቲ ግጭት ንምውጋድ ዝዓለመ ዘተ የለን። ወተሃደራዊ ተንተንቲ፡ ዋላ’ውን ብርቱዕ ውግእ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ብፍላይ ኣብቲ ሓይልታት ሩስያ ንከተማ ባክሙት ንምሓዝ ዝደፍኡሉ ዘለዉ ዞባ ዶኔትስክ፡ ክረምታዊ ዕጽዋ ክፈጥር ከምዝኽእል ይዛረቡ። ዩክረይን ብደገፍ ምዕራባውያን፡ ኣንጻር ሚሳይላት ሩስያ ዘለዋ ምክልኻል ኣየር ብዓቢኡ ኣመሓይሻ እኳ እንተነበረት፡ ዝያዳ ምዕቡል ኣጽዋር ክትረክብ ግን ሕጂ’ውን ትጽውዕ ኣላ። ብሓሙስ ምዕራባውያን መሻርኽቲ ሃገራት ተወሳኺ ምወላን ወተሃደራዊ ስልጠናን ብምሃብ ደገፎም ኣሐይሎም ኣለዉ። መራሕቲ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ንዩክረይን 18 ቢልዮን ዩሮ ሓገዝ ፋይናንስ ክህቡ ኣብ ርእሲ ምስምምዖምእ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ድማ 9ይ ዙር እገዳ ኣንቢሮም ኣለዉ። ዋሽንግተን፡ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ጀርመን ንወተሃደራዊ ኣባላት ዩክረይን ትህቦ ስልጠና ከምተስፍሕ ኣፍሊጣ። ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ፡ ኣብ ወርሒ 500 ወተሃደራት ብኣመሪካን መሻርኽታን ክስልጥኑ እዮም። እቲ ቁጽሪ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ናብ ልዕሊ 15 ሽሕ ከምዝብርኽ ይገልጹ። ሩስያ ኣብ ሓድሽ ዓመት ዓቢ ናይ ምድሪ መጥቃዕቲ ክትፍጽም መደብ ከምዘለዋ ድሕሪ ምግላጻ፡ ኣብ ኲናት ዩክረይን ሓደሽቲ ምዕባለታት ተራእዮም ኣለዉ። ሩስያ ንሲቪላዊ መሰረተ ልምዓት ዩክረይን ዒላማ ብምግባር ትፍጽሞም መጥቃዕትታት ኣብዚ ሰሙን ኣጠናኺራ ትቕጽል ኣላ። ሓይልታት ሩስያ ሎሚ ዓርቢ ኣብ መላእ ዩክረይን 60 ሚሳይላት ከምዝተኮሱን መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዘካየዱን ሰበስልጣናት ገሊጾም። ኣብ ርእሰ ከተማ ኪየቭ ሓዊሱ ኣብ ሰሜን፡ ደቡብ፡ ምዕራብን ማእከልን ዝርከባ ከተማታት መጥቃዕቲ ተፈጺሙ። ኣብ ክሪቪይ ሪህ፡ ኣብ ሓደ መንበሪ ህንጻ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣብ ከርሰን ድማ ሳልሳይ ሞይቱ'ሎ። ኣብ ሰሜን ኣብ እትርከብ ካርኪቭን ኣብ ካልኦት ሓያሎ ዞባታትን ሓይሊ ኤለክትሪክ ምሉእ ብምሉእ ተቛሪጹ ነይሩ። ኣብ ማእከላይ ከተማ ክሪቪ ሪህ ኣብ ዝርከብ ህንጻ መንበሪ ኣባይቲ ብሮኬት ክውቃዕ እንከሎ ብውሕዱ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱን ሸሞንተ ድማ ከምዝቖሰሉን ሰብመዚ ገሊጾም። ትማሊ ሓሙስ ኣብ ማእከል ከተማ ከርሰን ብዝተፈጸመ ደብዳብ ክልተ ሰባት ሞይቶም። ሩስያ ካብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚራ ልዕሊ 1000 ሚሳይላት ተኲሳ፤ ኣብ ኢራን ብዝተሰርሑ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ እውን መጥቃዕቲ ኣካይዳ እያ። ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ልዕሊ ትካላት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝፍጸም ተወሳኺ መጥቃዕቲ \"ኣብ ሰብኣዊ ኩነታት ዝያዳ ከቢድ ጸገምን ምዝንባልን ከስዕብ ከምዝኽእል\" ኣጠንቂቑ ነይሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ዩክረይን ደኒስ ሽሚሃል ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መጥቃዕቲታት ሩስያ \"ንኹለን መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ሙቐትን\" ከምዝሃሰየን፡ እዚ ድማ ሰፊሕ ጽልማተን ምቁራጽ ቀረብ ሓይሊን ማይን ከምዘስዓበ ገሊጹ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብ ደቡብ ኣብ ዝርከብ ዛፖሪዢዥያ 15 ሮኬታት ከምዝተተኮሳ ክግለጽ እንከሎ፡ ከንቲባ ከተማ ኪየቭ ቪታሊ ክሊችኮ ድማ ሓያሎ ከባቢታት እታ ከተማ ከምዝተሃርሙ ሓቢሩ። ገለ ከባቢታት፡ መብራህቲ ኣብ መዓልቲ ንውሑዳት ሰዓታት ጥራይ እየን ዝረኽባ። ኣማኻሪ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዩሪ ሳክ፡ ህጹጽ ኣገልግሎት ቀረብ ንምምላስ ይሰራሕ ከምዘሎን፡ እቲ ኩነታት ግን \"ሕጂ'ውን ኣጸጋሚ\" ከምዝኾነን ንቢቢሲ ገሊጹ። ንሱ፡ \"ዩክረይን ንክትደራደር ዘገድድ ኩነታት ክፈጥሩ ይጽዕሩ ኣለዉ። እዚ ኣይክኸውንን እዩ። እዚ ኣይሰርሕን'ዩ\" ይብል። ቭላድሚር ፑቲን ሕጂ’ውን ንመላእ ዩክረይን ክቆጻጸር ከምዝደሊ ዝገልጽ እቲ ኣማኻሪ ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ እቲ መልእኽቲ፡ እቲ ኲናት ገና ከምዘይተዛዘመን ምግላጽ እዩ ይብል። ሩስያ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ንምንታይ መጥቃዕታታ ከምዘሐየለት ንጹር እኳ እንተዘይኮነ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ግን ምክልኻል ኣየር ሚሳይላት ‘ፓትሪዮት’ ናብ ዩክረይን ንምልኣኽ ዝሓንጸጾ መደብ ይዛዝም ከምዘሎ ይግለጽ።","category":"ኒዩክሌራዊ ጸዓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cxwez8423z3o"} {"headline":"እቲ ዓቢይ ጸይቀ-ግኑን ኣቶሚካዊ ቦምባ","content":"ንግሆ 30 ጥቅምቲ 1961፡ ቱ-95 ዝዓይነታ ደብዳቢት ነፋሪት ሕብረት ሶቭየት፡ ካብቲ ኣብ ርሑቕ ሰሜን ሩስያ ካብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ኦሌንያ ተበጊሳ። ቱ-95 ቅድሚ ገለ ዓመታት ናብ ኣገልግሎት ዝኣተወት ብፍሉይ ኣገባብ ዝተመሓየሸት ነፋሪት እያ። እዚኣ ሓደ ዓቢይ ክንፊ፡ ኣርባዕተ ዓበይቲ ሞተር ዘለዋ ነፋሪት፡ ንመሳርሒታት ሩስያ ኑክሌሳዊ ቦምባታት ናይ ምጽዓን ዕማም ተዋሂብዋ። ሶቭየት፡ ኣብ 29 ነሓሰ 1949 ካብ ዘካየደቶ ናይ ንመጀመርታ ፈተነ ኣትሒዙ፡ ክሳብ 1958 ጥራይ 36 ኑክሌሳዊ ቦምባታት ፈቲና እያ። ካብ ኵሎም ፈተነታት ግን ምስዚ ዝወዳደር የለን። ቱ-95፡ 8 ሜትሮ ንውሓት፡ ዳርጋ 2.6 ሜተር ሰንጣቒትን ልዕሊ 27 ቶን ዝምዘን ክብደት ዘለዎ ዓቢይ ቦምባ ሒዛ ነይራ። ብኣካል፡ ካብቶም ንሂሮሺማን ናጋሳኪን ዘዕነዉ ቦምባታት ኣዝዩ ይንእስ። እቲ ቦምባ፡ ፕሮጀክት 27000፡ ኮድ ፍርያት 202፡ RDS-220፡ ከምኡ’ውን ኩዚንካ ማት ብዝብል ይፍለጥ ነይሩ። ሕጂ ድማ ዝያዳ ‘ቦምባ ዛር’ ብዝብል ይፍለጥ። ቦምባ ዛር ከም ዝዀነ ተራ ኑክሌሳዊ ቦምባ ኣይነበረን። ውጽኢት ናይቶም ዝሓየለ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ንምፍጣር ዝቃለሱ ዝነበሩ ሳይንቲስት ሶቭየት እዩ። እዚ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኒኪታ ክሩስቸቭ፡ ዓለም ብሓይሊ ቴክኖሎጂ ሶቭየት ንኽትናወጽ ብዘለዎ ድሌት ዝተደፋፍአ ነይሩ። ካብ ሓደ ብሓጺን ዝተሰርሐ ግዙፍ ቦምባ ንላዕሊ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ዝዓበየት ነፋሪት ከይተረፈ ክኣቱ ዘይክእል ኣዕናዊ ከተማን ናይ መወዳእታ መማረጺ ኣጽዋርን እዩ ነይሩ። እዚ ቦምባ፡ ኣብ በረድ ዝመልኦ ሰሜናዊ ወሰን ሕብረት ሶቭየት ኣብ ባሕሪ ባረንትስ ኣብ ዝርከብ ውሑድ ህዝቢ ዘለዋ ደሴት ኖቭያ ዘምልያ በጺሑ። ፓይለት ናይታ ቱፕሌቭ ትበሃል ነፋሪት ሜጀር ኣንድሬ ዱርኖቭትሰቭ፡ ነታ ነፋሪት ናብቲ ኣስታት 10 ኪ.ሜ ቁመት ዘለዎ ናይ ሶቭየት መፈተኒ ቦታ ሚትዩሺካ ቤይ ኣምጺእዎ። ንእሽቶ ንዝተመሓየሸትን ቱ-16 ዝዓይነታ ነፋሪት ቦምባ፡ ነቲ ስዒቡ ዝመጽእ ፍንጀራ ክትስእልን ካብቲ ፍንጀራ ዝተፈጸመሉ ዞባ ናሙናታት ኣየር ክትከታተልን ድልውቲ ኰይና ኣብ ጐድኒ ቱፕሌ ትበርር ነይራ። ክልቲአን ነፈርቲ 50 ሚእታዊት ናይ ምድሓን ዕድል ኣሎወን። ንኽልቲአን ነፈርቲ ናይ ምድሓን ዕድል ንምሃብ፡ ዛር ቦምባ ዳርጋ ሓደ ቶን ብዝምዘን ግዙፍ ፓራሹት ክዋፈር ተገይሩ። እቲ ቦምባ ቀስ ኢሉ ናብቲ ኣቐዲሙ ዝተወሰነሉ ቁመት ምስወረደ ተፈንጂሩ። እቲ ቦምባ ክፍንጀር ከሎ፡ እተን ክልተ ነፈርቲ ኣስታት 50 ኪ.ሜ ርሒቐን ነይረን። ንኽድሕና ዝኣክል ርሕቐት ክኸውን ይግባእ። ዛር ቦምባ ብኣቈጻጽራ ሞስኮ ሰዓት 11፡32 ተፈንጂሩ። ኣብቲ ቅጽበት እቲ ቦምባ ኣስታት 8 ኪ.ሜ ዝስፍሓቱ ኩዕሶ ሓዊ ፈጢሩ። እቲ ኩዕሶ ሓዊ ካብ ሓይሊ ናይ ገዛእ ርእሱ ንላዕሊ ነጢሩ። እቲ ዝተፈጥረ በርቂ ካብ 1000 ኪ.ሜ ርሕቐት ክረአ ክኢሉ። እቲ ቦምባ ዝፈጠሮ ደበና ናብ 64 ኪ.ሜ ቁመት ዓሪጉ፡ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዳርጋ 100 ኪ.ሜ ተዘርጊሑ። ምናልባት ካብ ኣዝዩ ርሑቕ ቦታ ዘደንቕ ትርኢት ነይሩ ክኸውን ይኽእል። ኣብ ኖቫያ ዘምልያ፡ እቲ ሳዕቤን ኣዝዩ ኣሰቃቒ ነይሩ። ኣብታ ካብቲ ቦታ ፍንጀራ ኣስታት 55 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ቁሸት ሰቨርኒ ዝነበሩ ኵሎም ኣባይቲ ምሉእ ብምሉእ ዓንዮም። ኣማኢት ኪሎ ሜተር ርሒቐን ኣብ ዝርከባ ኣውራጃታት ሶቭየት፡ ገዛውቲ ፈሪሶም፡ ናሕሲታት ወዲቘም፡ ማዕጾታት ዓንዮም፡ መስኮታት ተሰባቢሮም። ርክባት ራድዮ ንልዕሊ ሓደ ሰዓት ተቛሪጹ። ዱሮቭትሰቭ ብህይወት ምትራፉ ዕድለኛ እዩ፤ እቲ ካብ ዛር ቦምባ ዝመጸ ማዕበል ፍንጀራ፡ ነታ ግዙፍ ነፋሪት ቦምባ ንልዕሊ 1,000 ሜትሮ ምስ ኣንቀጥቀጣ እዩ እቲ ፓይለት ዳግማይ ክቈጻጸራ ዝኸኣለ። ሓደ ነቲ ምፍንጃር ዝረኣየ ሶቭየት ሰኣላይ ከምዚ ኢሉ ነይሩ፤ “ኣብ ትሕቲ እታ ነፋሪትን ኣብ ርሑቕን ዝነበረ ደበና በቲ ሓያል ብልጭታ ይበርህ ነይሩ። እቲ ባሕሪ ብርሃን ተዘርጊሑ ደበናታት ከይተረፉ ከብርሁን ግሉጽ ክዀኑን ጀሚሮም።... እቲ ትርኢት ፍሉይ፡ ዘይክውንነታዊ፡ ልዕለ ባህርያዊ እዩ ነይሩ።” ዛር ቦምባ ዳርጋ ንምእማኑ ዘጸግም ጸዓት ፈንዩ። ብሰፊሑ 57 ሜጋቶን ወይ 57 ሚልዮን ቶን ቲኤንቲ ከምዝኸውን ይእመን። እዚ ድማ ካብቲ ናይ ሂሮሺማን ናጋሳኪን ቦምባታት ተደሚሩ ልዕሊ 1500 ዕጽፊ ይዛይድ። ካብቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝተተኮሱ ኵሉም ተተኮስቲ ድማ ብ10 ዕጽፊ ዝዛይድ እዩ። ሚስጥር ከምዚ ዝበለ ፍንጀራ ክዕቀብ ኣይከኣለን። ኣሜሪካ ካብቲ ፍንጀራ ዓሰርተታት ኪሎሜተራት ጥራይ ርሒቓ እትርከብ ሰላዪት ነፋሪት ነይራታ። ኣብ ርሑቕ ንዝፍጠሩ ኑክሌሳዊ ፍንጀራታት ንምሕሳብ ዝጠቅም ባንግሜተር ዝበሃል ፍሉይ ብርሃናዊ መሳርሒ ዝሓዘት እያ ነይራ። ብፓነል ገምጋም ኣጽዋር ወጻኢ፡ ነቲ ብኮድ ስሙ ስፒድላይት ዝበሃል ካብታ ነፋሪት ዝተረኽበ መረዳእታ ተጠቒሙ ውጽኢት እቲ ምስጢራዊ ፈተና ገምጊሙ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ካብ ኣሜሪካን ብሪጣንያን ጥራይ ዘይኰነስ ካብ ገለ ከም በዓል ሽወደን ዝኣመሰላ ስካንዲናቭያውያን ጐረባብቲ ከይተረፈ ውግዘት ኣስዒቡ። እቲ ውጽኢት ካብዚ ዝተፈልየ ክኸውን ይኽእል ነይሩ። ንገለ ካብቲ ክፍንዎ ዝኽእል ሓይሊ ንምግታእ ኣብ ንድፊ ለውጢ ስለዝተገብረ እምበር፡ ቦምባ ዛር ብዕጽፊ ዝያዳ ሓይሊ ምሃለዎ ነይርዎ እዩ ዝበሃል። ሓደ ካብቶም ሃንደስቲ ናይዚ ዘስካሕክሕ መሳርሒ፡ ኣንድሬ ሳካሮቭ ዝተባህለ ሶቭየታዊ ክኢላ ፊዚክስ ክኸውን ከሎ ድሒሩ እቲ ነቲ ኣጽዋር ካብ ዓለም ንምእላይ ብዝገበሮ ፈተነታት ኣብ ዓለም ፍሉጥ ዝኾነ ሰብ እዩ። ካብ መጀመርታ ኣካል ናይቶም ቀዳሞት ኣቶሚክ ቦምባታት ሶቭየት ዝሃነጸ ጕጅለ ነይሩ። ሳካሮቭ፡ ኣብ ቀጸላታት ዘለዎ ምፍንጫል-ምጽንባር-ምፍንጫል ዝበሃል ነቲ ኣብ ሕመረቱ ዘሎ ኒዩክለራዊ መስርሕ ተወሳኺ ጸዓት ዝፈጥር መሳርሒ ክሰርሕ ጀሚሩ። እዚ ስርሒት እዚ፡ ሶቭየት ናይ መጀመርታ ሃይድሮጅን ቦምባ ክትሰርሕ ዘኽአላ ክኸውን ከሎ እዚ መሳርሒ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣቶሚክ ቦምባታት ኣዝዩ ዝሓየለ እዩ። ሳካሮቭ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተፈተነ ዝዀነ ቦምባ ዝሓየለ ከምጽእ ብክሩስቸቭ እዩ ተኣዚዙ። ኣብቲ እዋን፡ ድልየት ሕብረት ሶቭየት ኣብ ውድድር ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ንኣሜሪካ ክትቅድም ከም እትኽእል ከተርኢ ከምዝነበረ ኣብ ትሕቲ ፕረዚደንት ቢል ክሊንተን ሓላፊ ፈተነ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ኣሜሪካ ነበር ፊሊፕ ኰይል ይገልጽ። “ኣሜሪካ ንሂሮሺማን ናጋሳኪን ዘዳለወቶ ቦምባታት ብምስራሕ ኣዝያ ቀዲማ ነይራ። ድሕሪኡ ድማ ሩስያውያን ኣብ ሃዋህው ሓደ ፈተነ ከይፈተኑ ኣሜሪካ ብዙሕ ፈተነታት ኣካይዳ እያ። “ሶቭየት ድማ ንዓለም ዝነግርዎ ዝዀነ ነገር ክሰርሑ ይፍትኑ ነይሮም። ቦምባ ዛር ብቐንዱ ዓለምና ንሕብረት ሶቭየት ከም ማዕረ ንኽትርአይ ዝዓለመ እዩ ነይሩ” ክብል ይውስኽ። እቲ መበቆላዊ ዲዛይን፡ ንነፍሲ ወከፍ እቲ መድረኽ ዝፈላሊ ቀጸላ ዩራንየም ዘለዎ በዓል ሰለስተ ቀጸላ ቦምባ እዩ ነይሩ። እዚ ካብቶም ቦምባታት ሂሮሺማን ናጋሳኪን 3000 ዕጽፊ ዝዛይድ 100 ሜጋቶን ምህርቲ ምሃለዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይተኣደነ ሓይሊ እንተዝህሉ፡ እቲ ግዙፍ ቦምባ ንሰሜን ሶቭየት ብሰፊሕ ደበና ራድዮኣክቲቭ ከም ዘይሽፍን ውሕስነት ኣይምሃለወን። እዚ ንሳካሮቭ ብፍላይ ዘተሓሳስብ ነይሩ ይብል ፍራንክ ፎን ሂፐል ዝተባህለ ፊዚከኛን፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፕሪንስተን ሓላፊ ህዝባውን ኣህጉራውን ጉዳያትን። “ብዛዕባ እቲ ዝፈጥሮ መጠን ራድዮኣክቲቪቲን ኣብ መጻኢ ወለዶታት ከሕድሮ ዝኽእል ጀነቲካዊ ጽልዋን ብሓቂ ስግኣት ነይርዎ” ክብል ይገልጽ። “ካብ ቦምባ ምስራሕ ናብ ምቅዋም ዝጀመሮ ጕዕዞ እዩ ነይሩ።” ንፈተነ ቅድሚ ድሉው ምዃኑ፡ እቲ ቦምባ ዓቢ ውጽኢት ንኽረክብ ዝሕግዞ ዝነበረ ቀጸላ ዩራንየም፡ ብቐጸላ ሊድ ተተኪኡ፡ እዚ ድማ እቲ ጸዓት ኑክሌሳዊ ምላሽ ክቕንስ ገይሩ። ሶቭየት ዝሰርሐቶ ቦምባ ኣዝዩ ሓያል ስለዝዀነ ብምሉእ ዓቕሙ ክትፍትኖ ኣይፈቐደትን። እዚ ድማ ሓደ ካብቶም ጸገማት ናይዚ ኣዕናዊ መሳርሒ ጥራይ እዩ ነይሩ። እተን ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ሕብረት ሶቭየት ንምጽዓን ዝተሰርሓ ቱ-95 ዝዓይነተን ነፈርቲ ቦምባ፡ ኣዝዩ ዝቐለለ ኣጽዋር ክሕዛ ዝተዳለዋ እየን። ቦምባ ዛር ኣዝዩ ዓቢይ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ሚሳይል ክቕመጥ ስለ ዘይኽእል፡ እተን ንዕኡ ክስከማ ዝተዳለዋ ነፈርቲ እኹል ነዳዲ ሒዘን’ውን ክሳብ እቲ መፈተኒ ቦታ ክወስዳኦ ኣይምኸኣላን። ከምኡ’ውን፡ እቲ ቦምባ ከምቲ ዝተሓሰበሉ ሓያል እንተዝኸውን ድማ እታ ነፋሪት ናይ ሓደ ጕዕዞ ተልእኾ ጥራይ ምሃለዋ’ምበር ኣይምተመልሰትን ነይራ። ሕጂ መሪሕ ኣባል ናይቲ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝመደበሩ ማእከል ምቍጽጻርን ዘይምዝርጋሕን ኣጽዋር ዝዀነ ኮይል፡ “ኣዝየን ዓበይቲ ከተማታት ከተዕንው እንተዘይደሊኻ፡ ንምንታይ ከም ትጥቀመሉ ኣጸጋሚ’ዩ” ይብል። “በቃ ንኽትጥቀመሉ ኣዝዩ ዓቢይ ምዀነ ነይሩ።” ሳካሮቭ፡ እቲ ዝተሓሰበ ቦምባ ዓለማዊ ውድቀት ከየስዕብን መርዛም ርስሓት ኣብ መላእ ፕላነት ከይዝርግሕን ስክፍታ ነይርዎ። ሳካሮቭ ንጡፍ ደጋፊ ጸረ-ሚሳይል ኰይኑ። ኣንጻር ጭቆና ተቓዋሚ ብምዃን ኣብ 1975 ሽልማት ኖቤል ሰላም ተሸሊሙ። ቦምባ ዛር፡ ኣዝዩ ዝተፈልየ ዓይነት ውድቀት ነይርዎ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ኣሎ።","category":"ኒዩክሌራዊ ጸዓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cw40m7e2k7do"} {"headline":"ኢራን ኣብ እተማዕብሎ ኒኩሌሳዊ ጸዓት፡ ንተቖጻጸርቲ ሕቡራት ሃገራት ከምዘይተፍቅድ ኣፍሊጣ","content":"ኢራን፡ ናብ መደበር ኒኩሌር ሃገራ ተቖጻጸርቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይኣትው ጠጠው ንምባልን ምምዕባል ዩራኒየም ዝፈቅድን ሓድሽ ሕጊ ኣጽዲቓ። እዚ ሕጊ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተደንገጉ ማዕቀባት ክፎኹሱ እንተዘይተገይሩ፡ 3.6 ሚእታዊት ዝነበረ ምምዕባል ዩራኒየም ናብ 20 ሚእታዊት ሓፍ ከተብሎ ዘፍቅድ'ዩ። ፕረዚደንት ኢራን ሓሰን ሮሓኒ ንተግባራውነት እቲ ሕጊ ከም ዝተቓወሞ ገሊጹ። ኢራን፡ ላዕለዋይ ተመራማሪ ኒኩሌር ሃገራ ሞህሰን ፋክህሪዛዴክ ሚስጢራዊ ብዝኾነ መገዲ ድሕሪ ምቕታሉ'ያ ነዚ ሕጊ ተተኣታቱ ዘላ። ንሱ፡ ብእስራኤልን ኣብ ወጻኢ ሃገር ብዝርከብ ተቓዋሚ ሰልፍን ብርሕቀት ብእትቆጻጸሮ ኣጽዋር'ዩ ተቐቲሉ ኢላ ትኣምን። ፋክህሪዛዴክ፡ ኣብ ምምዕባል ፕሮግራም ኒኩሌር ኢራን ዓብዪ ተራ ዝነበሮ ኮይኑ፡ መንግስቲ እታ ሃገር እዚ መደብ ሰላማዊ እዩ ይብል። ይኹን'ምበር፡ ኢራን ብምኽንያት ፕሮግራም ኒኩሌር ግዳይ ማዕቀባት ሃገራት ምዕራብ ኮይና እያ። በዚ ባይቶ ኢራን ዘጽደቖ ሓድሽ ሕጊ እምበኣር፡ ኣብ 2015 ኣብ ጉዳይ ኒኩሌር ኢራን ስምምዕ ዝፈረማ ሃገራት ኤውሮጳ እቲ ኣብ ነዳድን ፋይናንሳዊ ትካላትን ኢራን ዝተደንገገ ማዕቀባት ከፍኩሳ ይጠልብ። ግዜ ገደብ ክልተ ወርሒ ድማ ሂባ ኣላ። ኣመሪካ፡ ብ2018 ነዚ ስምምዕ ነጺጋቶ'ያ፤ ኣብ ልዕሊ አራን'ውን ቁጠባዊ ማዕቀባት ደንጊጋ። ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተባህለ ግዜ እቶም ማዕቀባት ክፎኽሱ እንተዘይክኢሎም ግን፡ መንግስቲ እቲ ምምዕባል ዩራኒየም ናብ 20 ሚኢታዊት ከዕብዮን ተቖጻጸርቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይኣትው ክእግድን'ዩ። ዝተሓተ መጠን ምምዕባል ዩራኒየም ካብ 3 ክሳብ 5 ሚኢታዊት ኮይኑ፡ ሓይሊ መመንጨዪ ነዳዲ ንምፍራይ ይጠቅም። ኣጽዋር ንምስራሕ እንተኾይኑ ድማ፡ ዓቐን እቲ ዩራኒየም ልዕሊ 90 ሚኢታዊት ክኸውን ኣለዎ። ፕሬዝደንት ሮውሃኒ ግን፡ እዚ ሕጊ \"ንዲፕሎማሲ ዝሃሲ'ዩ\" ክብል ገሊጹዎ። ኢራን፡ እቲ ፕሮግራም ኒኩሌር ቦንባ ኒኩሌር ንምስራሕ ሽፋን ትጥቀመሉ ኣላ ኢለን ዝጥርጥርኣ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብ2010 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ማዕቀብ ኣንቢረናላ እየን።","category":"ኒዩክሌራዊ ጸዓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/55169788"} {"headline":"ኑክሌራዊ መመንጨዊ ጸዓት ዩክረይን ዳግማይ ብምድብዳቡ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ","content":"ኣብ ዩክረይን ዝርከብ ኑክሌራዊ መመንጨዊ ጸዓት ዛፖሪዚያ ዳግማይ ደብዳብ ከምእተካየዶ ጸብጻባት ክሕብሩ እንከለው፡ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ፡ ዩክረይንን ሩስያን ንሓድሕደን ይካሰሳ ኣለዋ። ቤት ጽሕፈትን ክፍሊ ባርዕን ናይቲ ኣብ ኣውሮጳ ዝዓበየ መደበር ጸዓት ትማሊ ሓሙስ 10 ጊዜ ከም ዝተሃረመ ክልቲአን ሃገራት ገሊጸን። ሓላፊ ትካል ምቁጽጻር ኑክሌር ሕቡራት ሃገራት፡ ራፋኤል ግሮሲ፡ ኣብቲ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ንምዝርራብ ዝጸውዖ ኣኼባ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ “ከቢድ ሰዓት” ክብል ኣጠንቂቑ። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ ብወገኑ “ናብ ዕንወት ከምርሕ” ከም ዝኽእል ተዛሪቡ። ቻይናን ኣሜሪካን፡ ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት ብቕልጡፍ ነቲ ትካል ክበጽሑ ጸዊዐን። እንተኾነ ቅድሚ ሕጂ ዝቐረበ ተመሳሳሊ ጠለብ ዛጊት ኣይተተግበረን። “ኣብ ጥቓ ኑክሌራዊ ትካል ኲናት ምክያድ ሓደገኛን ዘይሓላፍነታውን እዩ” ዝበለት ኣመሪካ ኣቐዲማ ኣብ ከባቢ እቲ ትካል ካብ ሰራዊት ነጻ ዝኾነ ዞባ ክምስረት ጸዊዓ ምንባራ ኣፈኛ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሓቢሩ። እንተኾነ፡ ወኪል ሩስያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ሰራዊት ነጻ ምግባር ነቲ ትካል ንዝያዳ “ምትዅታዅን ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕትን” ዘቃልዕ ምዃኑ ብምግላጽ ኣማራጺ ከም ዘይኮነ ገሊጹ። ኣብ ማእከላይ ዩክረይን ዝርከብ እቲ መደበር ጸዓትን ከባቢኡን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ደብዳባት ክፍጸሞ እንከሎ፡ በቲ መጥቃዕቲ ሩስያን ዩክረይንን ንሓድሕደን ይካሰሳ። ዩክረይን፡ ሩስያ ነቲ መደበር ወተሃደራዊ መዓስከር ከምዝቐየረቶን ሓይልታት ዩክረይን ናብኡ ገጾም ኣይክትኩሱን እዮም ብዝብል ካብኡ መጥቃዕትታት ከምእትፍጽም ትኸስስ። ሞስኮ ግና ነቲ ክሲ ትነጽጎ። ትካል ኒዩክሌር ዩክሬይን ኤነርሆኣቶም ብሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ሩስያውያን ወረርቲ ዳግማይ ንዛፖሪዚያን ኣብ ጥቓ እቲ ኑክሌራዊ መደበር ዝርከብ ከባቢታትን ደብዲቦም” ኢሉ። በቲ ደብዳብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ክህረም እንከሎ ብርክት ዝበሉ መለክዒታት ጸርጊ ከም ዝዓነውን ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ሳዕሪ ከም ዝተቓጸለን ኣብ ሰብ ግና ዝበጽሐ ጉድኣት ከም ዘይነበረ’ውን ሓቢሩ። ኣብ ከባቢ እቲ ትካል ዝርከብ መከላኸሊ ባርዕ ሓዊ’ውን ዕላማ እቲ መጥቃዕቲ ከም ዝነበረ ኤነርሆኣቶም ገሊጹ። ብሰንኪ እቲ ደብዳብ፡ ነቶም ኣብ ስራሕ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ምቅይያር ከም ዘይተኻእለን ኪንዮ ሰዓታቶም ክሰርሑ ከም ዝተገደዱን ተፈሊጡ። ኣብዚ እዋን ግና እቲ ኩነታት ኣብ ቁጽጽር ኣትዩ ከም ዘሎ ኤነርሆኣቶም ሓቢሩ።","category":"ኒዩክሌራዊ ጸዓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cd194rd80jno"} {"headline":"ኢራን ልዕሊ 50 ቢሊዮን በርሚል ድፍድፍ ነዳዲ ከምዝረኸበት ኣፍሊጣ","content":"ፕረዚደንት ኢራን ሓሰን ሮሃኒ፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኢራን ኩዝታን ዝተበሃለት ኣውራጃ፡ 53 ቢልዮን በርሚል ሃብቲ ነዳዲ ከም ዝተረኸበ ኣፍሊጡ። እቲ ነዳዲ ዝተረኸበሉ ቦታ ከባቢ 2400 ትርብዒት ኪሎሜትሮ ስፍሓት ይሽፍን። ኢራን ብሰንኪ ኣሜሪካ ዘንበረቶ ማዕቐብ ነዳዲ ናብ ደገ እናለኣኸት ክትሸይጥ ትጽገም ዘላ ሃገር'ያ። ፕረዚደንት ሮሃኒ \"ንኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ነዳዲ ኢራን ማዕቐብ'ኳ እንተንበርኩም፡ መሃንዲሳትናን ሰራሕተኛታትናን 53 ቢልዮን በርሚል ነዳዲ ክረኽቡ ከም ዝኸኣሉ ክነግሮም እደልይ\" ኢሉ። እቲ ዝተረኸበ ነዳዲ ኣብታ ሃገር ብኻልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ዕቑር ሃብቲ ክኸውን'ዩ። ኣህቫዝ ኣብ ዝተበሃለ ከባቢ ዘሎ ብመጠኑ ቀዳማይ ዝስራዕ፡ 65 ቢልዮን በርሚል ዝሓዘ ምዃኑ ጸብጻብ ወኪል ዜና ኣሶሺየትድ ፕረስ (ኤፒ) የመልክት። ኢራን ኣብ ዓለምና ብሃብቲ ነዳዲ ካብ ዝፍለጣ ሃገራት ኮይና፡ ካብ ዓመታዊ መሸጣ ብቢልዮን ዶላር ዝግምት ኣታዊ ትረክብ። እቲ ፕረዚደንት ከም ዝሓበሮ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብታ ሃገር ዘሎ ክዙን ድፍድፍ ነዳዲ 150 ቢልዮን በርሚል ይበጽሕ። እዚ ድማ ኣብ ዓለም ብራብዓይ ደረጃ ክትስራዕ ይገብራ። ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ነቲ ብ2015 ኢራንን ካልኦት ሽድሽተ ሃገራትን ዝበጽሕኦ ስምምዕ ኒኩሌር ብምፍራስ ኣብ ልዕሊ'ታ ሃገር ማዕቐብ ካብ ዘንብር ናብዚ፡ ቁጠብኣ ከንቆልቁል ከምዝኸኣለ ይዝረብ።","category":"ኒዩክሌራዊ ጸዓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50371522"} {"headline":"ጽልዋ ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እንታይ ይመስል?","content":"ኣዛዚ ሰራዊት ሓለዋ ሰውራ ኢራን ጀነራል ቃሲም ሶሌማኒ ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ ዒራቕ ተቐቲሉ። እዚ ወዲ 62 ዓመት ጀነራል፡ ከም ቀንዲ ሃንዳሲ ረብሓታት ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ ሰብ እዩ። ኣመሪካ፡ ኢራን ኣብቲ ዞባ ዓቢ ጽልዋ ንኸይትገብር ምስ መሻርኽታ ብዙሕ ክትሰርሕ ጸኒሓ እያ። ብዙሓት ሃገራት ዓረብ እውን ጽልዋ ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንክድረት ምስ ኣመሪካ ሓቢረን ክሰርሓ ጸኒሓን እየን። ቅድሚ ሳልስቲ፡ ኣብ ከተማ ኪርኩክ ናብ ዝርከብ መዓስከር ኣመሪካ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ፡ ሓደ ኣመሪካዊ ክቕተል እንከሎ፡ ካልኦት ሓያሎ ሰባት'ውን ቆሲሎም። ከም ግብረ-መልሲ ድማ ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ብውሕዱ 25 ዕጡቓት ኣባላት ጉጅለ ሕዝቡላህ ቀቲላ። በዚ መጥቃዕቲ ዝተቖጥዑ ዒራቓውያን ድማ ንኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ርእሰ ከተማ ባቕዳድ ኣጥቂዖም። ኣመሪካ፡ ብዒራቓውያን ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞን መጥቃዕትን፡ ብኢራን ዝተጀመረ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ \"ኢራን ከቢድ ዋጋ ከም እትኸፍለሉ\"ኣጠንቂቁ ነይሩ። ብዛዕባ ጽልዋ እዚ ጉጅለን እቲ መራሒኡን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከምኡ'ውን ስለምንታይ ኣብ ዓይኒ ኣመሪካ ከምዝኣተወ ዝምልከት ዘሰናዳእናዮ ትነታነ ይስዕብ። ኢራን፡ ኣንጻር እታ መቀናቕንታ ዝኾነት ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝግበር ስተራተጂካዊ ጽልዋ፡ ብገፊሕ ትዕወት ከም ዘላ፡ ኣብ ሎንደን ዝመደበሩ ዓለም-ለኻዊ ትካል ስትራተጂካዊ መጽናዕቲ ሓቢሩ። እታ ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ፡ ቀንዲ ተወዳዳሪት ኢራን ዝኾነት ስዑዲ ዓረብ፡ ቢልዮናት ዶላራት ዝዋግኡ ኣጽዋር ምዕራባውያን ብቐንዱ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ትሽምት። ይኹን'ምበር እታ እገዳ ምዕራባውያን ሃገራት ተነቢሩላ ዘሎ ኢራን፡ ነቲ ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ዝግበር ዘሎ ውድድር ናብ ረብሓኣ ክትቕይሮ ክኢላ ኣላ። ኢራን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሶርያ፤ ሊባኖስ፤ ዒራቕ ከምኡ'ውን የመን ኣገዳሲ ዝኾነ ጽልዋ ከምዘለዋ ይግለጽ። ዝዛዙ ዘሎ ሓይሊ ሚዛን ኢራን፡ ብሰላሕታዊ መንገዲ ምስ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘለው ዘይመንግስታውያን ጉጅለታት ዘይብተኽ ምሕዝነት ክትምስርት በቒዓ ኣላ። ካብ 1979፡ ኣያቶላ ኮመኒ ናብ ርእሰከተማ ቴህራን ካብ ዝምለስ ጀሚራ፡ ኢራን፡ ነቲ እስላማዊ ሰውራዊ ስነ-ሓሳባ ካብ ዶባታ ወጻኢ ብምስፋሕ፡ ምስ ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ ዕጡቕ ጉጅለ 'ሕዝቦላህ' ክትስርሕ ጸኒሓ። እቲ 217 ገጻት ዘለዎ \"ናይ ኢራን መርበብን ጽልዋን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ\" ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ፡ ብዛዕባ ኢራንን ወተሃደራዊ ዕማማታን ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ዝርዝራዊ መጽናዕቲ ሑዙ ይርከብ። እቲ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ እስላማዊ ሪፓብሊክ ኢራን፡ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ናይ ሓይሊ ሚዛን፡ ኣብ ረብሓኣ ቀይራቶ ከም ዘላ ይሕብር። እቲ ጸሓፋይ ከምዘመልክቶ፡ ኢራን፡ ነዚ ክትዕወተሉ ዝኸኣለት፡ ምስ 'ሳልሳይ ኣካል' ሓይልታት ብምስራሕን፡ ብተዓጻጻፊ ዝኾነ ምስጢራዊ ጽልዋታት ብምጥቃምን ምዃኑ ይምጉት። እቲ ቀንዲ ሕመረት ናይዚ ዓወት ድማ፡ ኣብቲ ኣካል ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ዝኾኑ 'ኩዱስ' ዝተባህሉ ሓይልታት ዝተመርኮሰ እዩ። እዞም ሓይልታትን መራሒኦምን መጀር ጀነራል ቃስም ሱለማኒን፡ ብእስላማዊ ሰውራ ኢራን ኣያቶላህ ሰይድ ዓሊ ካማነይ እዮም ዝምርሑ። ኣብ 2003 ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝምራሕ ኪዳን፡ ንሳዳም ሑሴን ምስ ኣለይዎ፡ ኵዱስ ዝተባህሉ ሓይልታት ኢራን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝርከቡ ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ምዕላምን፤ ገንዘብን ኣጽዋርን ኣብ ምዕዳል ተዋፊሩ ይርከብ። እዚ ሓይሊ እዚ፡ ልሙድ ብዘይኮነ መንገዲ ኣብ ምምዕባል ሰብ ኣልቦ ነፈርትን፡ መርበባዊ (ሳይበር) መጥቃዕትን'ውን ይነጥፍ። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ኣብ መዝገብ ግብረ-ሽበራ ከምዘእተዎ ይዝከር። ኢራን'ውን ብወገና፡ ነቲ ኣብ ወሽመጥ ዝርከብ ሰራዊት ኣሜሪካ ከም ኣሸባሪ ጉጅለ ከም እትሪኦ ኣፍሊጣ። ኣብቲ ዞባ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣሜሪካ ከኣ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ከምዝኽእል ኣጠንቂቓ። ኢራን፡ ብዛዕባ እቲ ዝወጽአ መጽናዕቲ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ እቲ መጽናዕቲ ብዛዕባ ኢራን ዝተጻወተቶ እወንታዊ ግደ ዝዛረብ እንተኾይኑ ከም እትቕበሎ ብምግላጽ፡ ኣኽብሮት ከምዝግባኣ ኣመልኪታ። \"ንኢራን ጎስዩ ዝሰርሕ ፖሊሲ ኣይሰርሐን። ኢራን ንኹሉ ተጻብኦታት መኪታ፡ ብኣሜሪካ ንዝተነብረላ ቁጠባዊ ግብረ-ሽበራ ተቖጻጺራ ሓይላ ኣመስኪራ። ምስ ከምኣ ዝኣመሰላ ሃገራት ድማ ጽቡቕ ዝምድናን ዞባዊ ምትሕብባርን ኣለዋ\" ክብል ኣብ ሎንደን ዝርከብ ኤምባሲ ኢራን ገሊጹ። ሕዝቦላህ፡ መሻርኽቲ ኢራን ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ ዓቢ ጽልዋ ዘለዎ ጉጅለ ሕዝቦላህ፡ ካብቶም ቀንዲ መሻርኽቲ ኢራን ዝኾኑ ጉጅለታት ምዃኑ እቲ መጽናዕቲ የመልክት። ብኣባላት ኣመንቲ ሺዓ ዝቘመ ሓይልታት ሕዝቦላህ፡ ብኢራን ተወዲቡ ኣብ ጉዳይ ካልኦት ሃገራት እናኣተወ ውግእ ከምዘካይድ ይፍለጥ። ሰራዊት ሕዝቡላህ ኣብ ጐኒ መንግስቲ ሶርያን ምልሻታት ኢራንን ተሰሊፉ ኣብ ሶርያ ንሓያሎ ዓመታት ክዋጋእ ምጽንሑ ይግለጽ። ብኣሜሪካ ዝምራሕ ወታሃደራዊ ኪዳን ንዒራቕ ምስ ወረራ፡፡ ቀጺሉ ድማ ንሳዳም ሑሴን ምስ ኣለዮ፡ ማእካላይ ምብራቕ ቅርጹ ብምቕያር፡ ንኢራን ሰፊሕ ዕድላት ፈጢሩላ። ቅድሚ እቲ ወራር፡ ኣብ ወሽመጥ ፋርስ ዝነብራ መንግስታት ሱኒ፡ ንዒራቕ ካብ ምስፍሕፋሕ ኢራን፡ ከም ዕርዲ ይጥቀሙላ ነይሮም። ሕጂ እቲ ዝነበረ ዕርዲ ብምፍራሱ፡ ኢራን ነዚ ዕድል ኣብ ረብሓኣ ብምቕያር፡ ኣብ ውሽጢ ዒራቕ ሃይማኖታውን ባህላውን ርክብ ብምፍጣር፡ ከም ዓቢ ሓይሊ ኮይና ትርከብ። ኢራን ኣብ ምምልማልን ምምዕባልን ወተሃደራት ዒራቕን ከምኡ'ውን ኣንጻር ዳዕሽ ኣብ ዝግበር ውግእ ብዙሕ ከምዝተሳተፈት ይንገር። እንተኾነ ግን፡ ብዙሓት ዒራቓውያን ምትእትታው ኢራን ብምቁዋም፡ ኣንጻር እቲ ብመንግስቲ ኢራን ዝድገፍ መንግስቲ ዒራቕ ናዕቢ ከካይዱ ቀኒዮም ኣለው። መንግስቲ ሶርያ'ውን ቀንዲ ዓርኪ ኢራን እዩ። እዛ ብውግእ ሓድሕድ ተሓሚሳ ዘላ ሃገር፡ ሓይልታት ኢራን፤ ሂዝቦላህ ከምኡ'ውን ሩስያ፡ ንመንግስቲ በሽር ኣልኣሳድ ካብ ተቓወምቲ ሓይልታት ከድሕንዎ ኪኢሎም ኣለው። እቲ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ኢራን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሶርያ ተወቲፋ፡ ንእስራኤል ጸገም ፈጢራትላ ከምዘላ የመልክት። ምፍራስ ተቐናቐንቲ ሓይልታት ኢራን፡ ኣሜሪካ ነቲ ዞባ ገዲፋቶ ክትወጽእ እሞ፡ ኣብቲ ከባቢ ዓብላሊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክትከውን ምፈተወት ነይራ። እንተኾነ ግን፡ ስዑዲ ዓረብ፤ ባሕሬን፤ ከምኡ'ውን ኢማራት ዓረብን፡ ኣሜሪካ ጠቕሊላ ክትወጽ ኣይደልያን እየን። ኣብ 2011 እቲ ብዓረባዊ ቀውዒ ዝጽዋዕ ህዝባዊ ናዕቢ ምስ ተጀመረ፡ ኢራን ነቲ ኩነታት ተጠቒማ፡ ነቲ ኣብ ባሕሬን ዝተጀመረ ናዕቢ ኢዳ ከምዘእተወትሉ ትሕመ እያ። ንገለ ኣብ ባሕሬን ዝነበሩ ጉጅለታት'ውን ክተዕጥቕ ኪኢላ እያ። እቲ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፤ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ስለምንታይ ኢራን ነዞም ጉጅለታት ተዕጥቖምን ገንዘባዊ ሓገዝ ትገብረሎም፡ ኣብ ባሕሬን፤ ስዑዲ ዓረብ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ኩዌት መንግስታት ጸቕጢ ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ ክብል ይገልጽ። ናይዘን ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከባ ሃገራት ድኽመት፡ በዘን ክልተ ዓበይቲ ትካላት ነዳዲ ሱዕዲ ዓረብ ብሰብ ኣልቦ በረርቲ ምስ ተቓጸለ ተፈዲሑ (ተቓሊዑ)። ዋላ እኳ ስዑዲ ዓረብ ብሚልዮናት ዶላራት መከላኸሊ ጸረ-ሳይል እንተሸመተት፡ ነዚ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ግን ጠጠው ክተብሎ ኣይከኣለትን። ኣብቲ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ዞባ ወሽመጥ ዓረብን፣ ማእከላይ ምብራቕን ንዝጸንሐ ወጥሪ ብዝበኣሰ ኣጋዲዱዎ እዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ ክልተ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ኢድ ኢራን ኣለዎ ዝብል መርገጺታት፡ ኣመሪካ ዝመራሒተን ሓያሎ ሃገራት፣ ካብ የመን ናብ ኢራን ከዝብሎ ከምዝኽእል ትንታነታት ተዋሂብዎ እዩ። እንተኾነ ግን፡ ኢራን ነቲ ክሲ ነጺጋቶ እያ። \"ኢራን ብወተሃደራዊ ሓይሊ ምስ ስዑዲ ዓረብ ክትወዳደር ኣይትኽእልን እያ። እንተኾነ ግን፡ ዋላ እውን በቲ ዘይመጣጠን ወተሃደራዊ ዕጥቂ ድልየታት ክተውሕስን፡ ካብ ካልኦት ተጸብኦታት ነብሳ ክትከላኸል ክኢላ እያ\" ይብል እቲ መጽናዕቲ። ኣብ 2014፡ የመን ኣብ ውግእ ምስ ኣተወት፡ ኢራን ብዙሕ ዝጋነን ኢድ ኣይነበራን። እንተኾነ ግን፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ 2015፡ ኣንጻር ሑቲ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክትወስድ ምስ ጀመረት፤ ኢራን ንሑቲ ንምሕጋዝ ኢዳ ኣእቲያ። \"ኢራን ኣጽዋር ብምሃብ ኣብቲ ስትራተጂካዊ ቦታ ህላውነታ ኣረጋጊጻ\" ይብል እቲ መጽናዕቲ። የመን ናይ ብሓቂ ንስዑዲ ዓረብ ኣዳኺማታ እያ። ስዑዲ ዓረብ ሚልዮናት ዘጥፍኣትሉ ሚሳይላት ኣባኺና። ኣብዚ ኣዕናዊ ዝኾነ ውግእ ሰዓሪ የለን። እቲ ናይ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ቀንዲ ዕላማ ግን፡ ኢራን ኣብ ጎደብኦም ኢዳ ንከይትእቱ ንምኽልካል ዝዓለመ እዩ ነይሩ። ዝለዓለ ውጽኢት ብውሑድ ዋጋ እቲ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዝህሉ፡ ኢራን መስመራ ከምዘይትቕይር ይገልጽ። ኣብ 2015 ዝተኸተመ ኑክሌራዊ ስምምዕ፡ ኢራን ንተካይዶ ንዩክለራዊ መደባት ክትቅንሶን፡ ኣምሳያኡ ኣብ ልዕሊኣ ጸኒዑ ዝጸንሐ እገዳታት ብኸፊል ክለዓል ዝእዝዝ እኳ እንተዀነ፡ ኣመሪካ ግን ካብቲ ውዕል ኣንሳሒባ። እዚ ከኣ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ቁጠባዊ እገዳ ገይራ፡ ሓዲሽ ኒኩለራዊ ስምምዕ ክትገብር ዝዓለመ እዩ ነይሩ። እንተኾነ ግን፡ ኢራን በቲ ንሳ ትድግፎ ጉጅለታት ገይራ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሓያል መጥቃዕቲ ክትፍኑ ከምእትኽእል ምንጭታት ይገልጹ። እቲ ቀንዲ ጉዳይ፡ ድሕሪ 40 ዓመት በብቑሩብ፡ ብገንዘብን ንዋትን፤ መሻርኽቲ ብምፍጣር፤ ኢራን ዝሓየለ ቦታ ሒዛ ትርከብ። እቲ ኣብ ኢራን ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ንህዝቢ ኢራን ሓደጋ እዩ። ብቁጠባ ደረጃ፡ ከኣ ኢራን፡ ኣብ ዝኸፈኣ ኩነታት ትርከብ። እንተኾነ ግን፡ እዚ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ብውሑድ ገንዘብ ዓቢ ውጽኢት ከመዝግብ ዝኽእለሉ መርበብ መስሪቱ ምህላው እቲ መጽናዕቲ የረድእ።","category":"ኒዩክሌራዊ ጸዓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50371515"} {"headline":"ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ፈላማይ መደብ ምምዕባል ኒዩክለር ጀሚራ","content":"ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣብ ዓረባዊ ዓለም ፈለማይ ዝኾነ ኒዩክለራዊ ጸዓት ኣብ ምብራቓዊ ገምገም ባሕሪ ምምዕባል ከምዝጀመረት ዕላዊ ገይራ። እቲ ኒዩክለር ዝምዕብለሉ ከባቢ ገምገም ባሕሪ ኣብ ጥቓ ምስታ ኣብ ወጥሪ ዝተመስረተ ርክብ ዘለዋ ሃገረ ኳታር [ቀጠር] ምዃኑ ድማ ኣካታዓይ ገይርዎ። ኣብ'ዚ ‘ባራካህ’ እናተብሃለ ዝጽዋዕ ማእከል ካብ ዘለዉ ኣርባዕተ 'ሪኣክተራት' ኑክሌር፡ ሓዲኡ ስርሑ ጀሚሩ ከምዘሎ ተሓቢሩ። እቲ ዝጥቀመሉ ቴክኖሎጂ ድማ፡ ናይ ደቡብ ኮርያ እዩ ተባሂሉ። እዚ ማእከል፡ ኣብ 2017 ክጅምር ሓሳብ እንተነበረ’ኳ፡ ምስ ከባብያዊ ውሕስነናን ድሕነትን ብዝተኣሳሰር እዩ ተደናጒዩ። እዛ ብተፈጥሮ ነዳዲ ኣዝያ ሃብታም ዝኾነት ሃገር፡ ተማዕብሎ ዘላ መደብ ኑክሌር ንጸዓት (ሓይሊ ኤሌክትሪክ) ከም እትጥቀመሉ እዩ ዝግለጽ። ቅድሚ ክልተ ሰሙን ድማ፡ እታ ሃገርሳተላይት ምርምር ናብ ማርስ ዝለኣኸት ኮይና፡ እዚ ብምግባር’ውን ካብ ሃገራት ወሽመጥ ዓደን ፈላሚት እያ። ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ካብ ጸሓይ ዝርከብ ሓይሊ [ሶላር ፓወር] ድማ ተማዕብል ዘላ ኾይና፡ እዚ ድማ ተመራጺ ምንጪ ሓይሊ ተገይሩ እዩ ዝውሰድ። እቲ ሕዚ ክተማዕብሎ ጀሚራ ዘላ ‘ባራካህ’ ዝብል ስያመ ዝረኸበ መደብ ግና፡ ጥርጣረታት ይፈጥር ኣሎ። ባራካህ ብዓረብኛ ብሩኽ ዝብል ትርጉም እንተሃለዎ’ኳ፡ ምሁራት እቲ ዓውዲ፡ ኣብዚ ብፖለቲካዊ ወጥሪ ዝሕመስ ዞባ፡ እዚ ዓይነት ኑዩክሌር ምጅማር ስግኣት ዝፈጥር እዩ ይብሉ። እኳ ደኣስ፡ እቲ ካብ ተፈጥሮ ዝርከብ ንጹህ ሓይሊ ኣብ ምምዕባል በርቲዓ እንተትሰርሕ ኣዝዩ ተቐባልነት ምሃለዎ ክብሉ ይምጉቱ ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፤ ቀጠር፡ እዚ መደብር ኒዩክሌር፡ ‘ናይቲ ዞባ ሰላምን ከባብያዊ ጥዕናን ዝዘርግ ውዲት እዩ’ ክትብል ከሲሳ ነይራ። ቀጠር፡ ቀንዲ ተነሓናሒት ናይተን ነቲ ዞባ ክዕብልላ ዝደልያ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑዲ ዓረብን እያ። ካልእ ኣብዚ ወሽመጥ ዘላ ሃገር ኢራን ድማ፡ ምስ ኢማራት ዓረብ ኣብ ወጥሪ ዝተመስረተ ርክብ ዘለዋን ብኣመሪካ ኣብ ዓይኒ ዝኣተወትን ሃገር እያ። ሓላፊ ዓለማዊ ኣማኻሪ ጉጅለ ኒዩክሌር ዝኾነ፡ ዶ\/ር ፖል ዶርፍማን፡ ኣብዚ ዞባ ሓይሊ ኒዩኩሌር ምምዕባል ካብ ኣብ ዝኾነ ከባቢ ዓለም ሓደገኛ ከምዝኸውን ጽሒፉ ነይሩ። 'ሳኒ ጅማሮ' መራሕቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ እቲ መደብ ምምዕባል ኑክሌር፡ እታ ሃገር ኣብ ጉዳይ ሳይንሳዊ ምርምር ንእተርእዮ ዘላ ዝላ መርኣያ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። እቲ ማእከል፡ ብምትሕብባር 'ኒዩክሌር ኢነርጂ ኮርፖሬሽን ኢሚሬትስ' ከምኡ ድማ 'ኮርያ ኤሌክትሪክ ፖወረ ኮርፖሬሽን' እዩ ተሃኒጹ። ዓለማዊ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂ (IAEA) ድማ፡ ናይቲ መደብ ምጅማር ዓብዪ ዓወት ክብል ናእድኡ ገሊጹ። “እዚ ኣብ ምፍጣር ዕዳጋ ንጹህ ሓይሊ ናይ መጀመርታን ኣገዳሲን ዕቤት እዩ። IAEA ካብ መጀመርትኡ ጀሚሩ ኣብ ጎኒ እታ ሃገር ኮይኑ ክሕግዝን ክድግፍን ጸኒሑ እዩ” ኢሉ። መራሒ ኣቡ ዳቢ፡ ልዑል መስፍን ቢን ዛይድ ኣል-ናህያን፡ ጸዓት ብቐጻልነት ኣብ ምርካብ ዓብዪ ስዳሮ ክብል፡ ናይ ‘እንኳዕ ደስ በለኩም’ መልእኽቲ ኣሕሊፉ።","category":"ኒዩክሌራዊ ጸዓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53627729"} {"headline":"ትራምፕ ንስምምዕ ኒዩኩሌር ኢራን ዘፍረሰ \"ንኦባማ ንከሕርቕ'ዩ\" ተባሂሉ","content":"ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሃገሮም ምስ ኢራን በጺሓቶ ንዝነበረት ስምምዕ ኒዩኩሌር ዘፍረሰ፡ ንባራክ ኦባማ ንምሕራቕ ሓሲቡ ከም ዝኾነ፡ መልእኽቲ ኣምባሳደር ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኣሜሪካ ነበር ኣቃሊዑ። ካብ ኣምባሳደር ሰር ኪም ዳሮች ሞሊቝ ዝወጽአ መልእኽቲ፡ \"ውሳነ ምምሕዳር ትራምፕ ነቶም ብባራክ ኦባማ ተበጺሖም ዝነበሩ ዲፕሎማሲያዊ ስምምዓት ኣብ ምፍራስ ዘትኮረ ውሳነ'ዩ\" ክብሉ ምንቃፎም ከም ዘመልክት ዴይሊ መይል ጸብጺቡ። ትራምፕ \"ውልቃዊ ብዝኾኑ ምኽንያታት ነቲ ስምምዕ ዕሽሽ ኢልዎ፤ ምኽንያቱ ቅድሚኡ ብዝነበረ ፕረዚደንት ዝተበጽሑ ስምምዓት እዮም\" ክብል እቲ ኣምባሳደር ነበር ጽሒፉ። ጋዜጣ ከም ዴይሊ መይል ከም ዘመልክቶ፡ እቲ መልእኽቲ ዝተጻሕፈ፡ ሽዑ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ [ዓባይ ብሪጣንያ] ዝነበረ ቦሪስ ጆንሰን፡ ኣሜሪካ ነቲ ምስ ኢራን ዝተበጽሐ ስምምዕ ንኸይተፍርስ ንምምሕዳር ትራምፕ ሕቶ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን'ዩ። ስምምዕ ኣሜሪካን ኢራንን፡ ኢራን ዩራንየም ንምምዕባል እትገብሮ ምንቅስቓሳት ንኽትግድብ ዘገድድ'ዩ ነይሩ። ብተወሳኺ፡ እቶም ኣብ ልዕሊ ኢራን ተነቢሮም ዝጸንሑ እገዳታት ንኽለዓሉ፣ ንዓለማዊ ምንቅስቓስ ምምዕባል ኒዩኩሌር ናይ ዘጽንዕ ጉጅለ ኣባላት ኣብ ልዕሊ ኢራን ክትትል ንኽገብሩ ዝፈቅድ'ዩ። ኣምባሳደር ኪም ዳሮች ንምምሕዳር ትራምፕ 'ዝደኸመ፣ ብነብሱ ዘይተኣማመንን ብቕዓት ዘይብሉን' ክብል ቅድሚ መዓልታት ነቒፉ ምንባሩ ዴይሊ መይል ጸብጺቡ ነይሩ። ካብቲ ኣምባሳደር ልሒኾም ኣብ ዝወጽኡ ኢመይላት፡ ዋይት ሃውስ [ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ] ኣብ ግዜ ምምሕዳር ትራምፕ 'ዝፈረሰ' ን 'ዝተኸፋፈለን' ክብሉ ይገልጹ። ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ እቶም ኢመይላት ልሒዀም ከም ዝወጽኡ ኣረጋጊጹ'ሎ። \"ከቢድ ጸገም ፈጢሮም\" ክብል ድማ ገሊጹ። ሰር ኪም ዳሮች ምስ መንግስቶም ዝተጸሓሓፍዎም ኢመይላት ምስ ወጽኡ ብገዛእ ፍቓዶም ካብ ናይ ኣምባሳደርነት መዝነቶም ለቒቖም'ዩም። ትራምፕ ነቲ ኣምባሳደር ነበር \"ብጣዕሚ ሰነፍ ሰብ\" ክብል ብምግላጹ፡ ማዕኸናት ዜና ዓለም ዛዕባ ገይረንኦ ቀንየን።","category":"ኒዩክሌራዊ ጸዓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48979888"} {"headline":"ዶናልድ ትራምፕ ምስ ፕሬዝደንት ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡን ክራኸብ'የ ኢሉ","content":"ፕሬዝደንት አመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሃገራት ሰሜን ኮርያን ደቡብ ኮርያን ኣብ ዝፈልየን ካብ ኲናት ናጻ ዝኾነ ቐጠና፡ ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡን ክራኸብ ከም ዝደሊ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። እዚ ትጽቢት ዘይተገብረሉ መልእኽቲ፡ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዑደት ድሕሪ ምክያዱ ፡ ንኪም \"ሰላም ክብሎ ይደሊ'የ\" ይብል። ሰሜን ኮርያ ብወገና፡ \"ጽቡቕ ሓሳብ\" ዝብል ምላሽ ሂባትሉ። ፕሬዝደንት ትራምፕ ኣብ ጃፓን ይካየድ ካብ ዘሎ ኣኼባ ጂ-20 እናተብሃለ ዝፍለጥ ጉጅለ ምዕቡላት ሃገራት፡ ሰሜን ኮርያ ካብ ኒኩለር ናጻ ምግባር ኣብ ዝብል ዛዕባ ንምዝታይ ናብ ደቡብ ኮርያ ክኸይድ'ዩ። ትራምፕ ኣብቲ ጉባኤ ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ ክራኸብ ከም ዝኽእል ዝሕብር ዘረባ ኣስሚዑ'ዩ። \"ንኽልተ ደቓይቕ'ውን እንተኾነ እንተተራኸብና ጽቡቕ'ዩ\" ክብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ። ድሕሪ ዝተወሰኑ ሰዓታት፡ ምኽትል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሰሜን ኮርያ ቾይ ሶን ሂ ምላሽ ሂቡ። \"ጽቡቕ ሓሳብ ገይርና ኢና ንርእዮ፤ ይኹን'ምበር ነዚ ብዝምልከት ዕላዊ ዝኾነ ጻውዒት ኣይበጽሐናን\" ኢሉ። መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት፡ ኣብ 2018 ወርሒ ለካቲት ኣብ ቬትናም ተራኺቦም ነይሮም። ዳግማይ ሰነ 2018 ኣብ ሲንጋፖር እንትራኸቡ ግን ከይተሰማምዑ ምፍልላዮም ይዝከር። ዶናልድ ትራምፕ ግን፡ ሰሜን ኮርያ ኣብ ልዕሊኣ ዝተነብረ ቑጠባዊ ማዕቀብ ቅድሚ ምልዓሉ ምልሓም ኒኩለርን ምውንጫፍ ሚሳኤላትን ጠጠው ክተብል ኣለዋ ይብል ኣሎ።","category":"ኒዩክሌራዊ ጸዓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48809964"} {"headline":"ተመራማሪ ኒኩሌር ትዮዶር፡ ብኸመይ ናብ ሰላይ ተቐይሩ?","content":"ብ29 ነሓሰ 1949፡ ሕብረት ሶቬት፡ ወናኒት ኣቶሚክ ቦምብ ኮይና። እቲ ኣርዲኤስ-1 ዝተባህለ፡ ኣቐዲሙ ዝነበራ ኑክሌር ቦምባኣ ድሕሪ ምትኳሳ ትጽቢት፡ ዝሓሸን ዝበለጸን ቦምባ ከተፍሪ ትጽቢትን ግምትን ኣብ ዘይተግበረሉ እዋን እያ ወናኒት ኣቶሚክ ቦምብ ኮይና። ኣብቲ ዝተጠቕሰ ዓመት ፈተነ እቲ ሓዲሽ ብረት መሰካየደት ከኣ ሃገራት ምዕራብ ዝኾነ ትጽቢት ስለዘይጸንሐን ሰንቢደን። ብመሰረት ሓበሬታ ሲኣይኤ፤ ስለያ ኣመሪካ ሕብረት ሶቬት ቅድሚ 1953 ኑኩሌር ክትሰርሕ ትኽእል እያ ዝብል ግምት ኣይነበሮምን። እቲ ዘገርም ከኣ ኣመሪካዊ ሳይንቲስት ቲዮዶር ሆል እዩ ብሕቡእ ንሕብረት ሶቬት ሓበሬታ ዝህቦም ነይሩ። ርግጽ እዩ ሳይንቲስት ቲዮዶር ሆል ጥራሕ ኣይኮነን ናይ ኑክሌር ሓበሬታ ንጸላኢ አሕሊፉ ሂቡ። ግን ስለምንታይ እዩ ታሪኹ ፍሉይ ዝገብሮን ዘይተሃድነን። እቲ ተወላዲ ኒውዮርክን ተማሃራይ ሃርቨርድን ሳይንቲስት ኒኩሌር ብኸመይ ናብ ሰላይ ተቐይሩ። እቲ ኣርዲኤስ-1 ዝተባህለ፡ ናይ ሕብረት ሶቬት ኒኩሌር ቦምብ ልክዕ ከምቲ ኣመሪካ ብ 09 ነሓሰ 1945 ኣብ ከተማታት ናጋሳኪ ን ሂሮሽማን ጃፓን ዝተጠቕመትሉ ፋት ማን ዝተባህለ ቦንባ ምምስሳሉ ብኣጋጣሚ ኣይነበረን። እቲ ዲዛይን ኮነ ምስጢራ ኮድ ናይቲ ኑከሌራዊ ቦምባ ካብቲ ብመሪሕነት ዋሺንግተንን ምትሕብባር ብሪጣንያን ካናዳንዝ ዝካየድ ትካል ኣቶሚካዊ ኣጽዋር ካብ ሕምብርቲ ፕሮጀክት ማንሃታን'ዩ እቲ ሓበሬታ ዞሪቑ። ኣብ 1945 ዝተሓትመ \" መጽሔት ላይፍ\" \" ምናልባት ካብ መላእ ሃገር ኣብ ፕሮጀክት ማንሃታን እንታይ ይካየድ ከምዘሎ ዝፈልጡ ሰባት ካብ ደርዘን ኣይሓልፉን እዮም\" ይብል እቲ መጽሔት። ሓደ ካብቶም ሰባት ከኣ ቲዮዶር ሆል እዩ ነይሩ።እዚ ብ20 ታሕሳስ 1925 ካብ ሓደ ነጋዳይን በዓልቲ ሓዳርን ኣደ ዝተወልደ ሰብ ቲዮዶር ሆል፡ ኣብቲ ንተራ ስድራቤታት ኣመሪካ ከቢድ እዋን ዝነበረሉ፡ ኣብ እዋን ዝሕታለ ቁጠባ ኣመሪካ ግሬት ዲፕሪሺን እዩ ዓብዩ። ይኹን እምበር እቲ ጸቕጥን ወጥርን ንቲዮዶር ንፉዕ ተማሃራይ ሕሳብን ፊዚክስን ካብ ምዃን ኣይዓገቶን። ቲዮዶር፡ ኣብ 16 ዓመቱ ኣብቲ ፍሉይ ስም ዘለዎ፡ ፍሉጣት ዩኒቨርስቲ ዓለምና ኣብ ሃርቫርድ ተጸምቢሩ ኣብ 1944 ከኣ ተመሪቑ። ብልሑን ፍልጠቱን ኣብ እአዛን ሰበስልጣን ኣመሪካ ስለዝበጽሐ ፍሉይ ኣቓልቦ ረኺቡ ኣብቲ ናይ ኒክሌር ፕሮግራም ንክሳተፍ ተመሪጹ።ኣብ መጀመርታ 1943 ከኣ ኣብቲ ምስጢራዊ ስራሕ ኑክሌር ንክሳተፍ ኣብ ሎስ ኣርሞስ ላባራቶሪ ቃለ መሕትት ተገይሩሉ። ኮሚኒስታዊ መዳቕስቲ ይኹን እምበር ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ ትዮዶር ካልእ ሓይሊ ይኹስኩሶ ከምዘሎ ኣይፈለጡን ነይሮም። ትዮዶር ድሮ ኣብ ሃርቫርድ ኣባል ማርክሲስታዊ ማሕበር እዩ ነይሩ። ካብ ሕብረት ሶቬት ተሰዲዶም ኣብ ኒውዮርክ ካብ ዝነብሩ ስድራ ዝውለድ መዳቕስቲ ትዮዶር ሳቪል ሳክስ ድሮ ንትዮዶር ብኮሚኒስታዊ ኣተሓሳስባ ጸልዩዎን ኣብቲ ማሕበር መልሚሉዎን ነይሩ። ዳሕራይ ትዮዶር ኣብ ኒክሌራዊ ፕሮግራም ምስ ተሳተፈ ከኣ ሓደ ካብቲ ቀንዲ መመሓላለፊ ምስጢር ኣመሪካ ናብ ራሻ ዝነበረ ኮይኑ ኣገልጊሉ። ኣብ ታሕሳስ 1994 ከኣ ትዮዶር፡ ብመንገዲ ሳቪል ሳክስ (ኣብ ዩኒቨርስቲ መዳቕስቱ ዝነበረ ሰብ) ኣቢሉ ምስራሕ ናይቲ ሓዲሽ ፕሉቶንዩም ቦንብ ናብ ሕብረት ሶቬት ምስጢር ኣመሓላሊፉ። ትዮዶር ክልተ ዓመት ብካንሰር ኩሊት ቅድሚ ምማቱ ኣብ 1997 ኣብ ኒው-ዮርክ ታይምስ \" ኣብ 1944 ብዛዕባ እቲ ኣመሪካ እትብሕቶ ዝነበረት ሓደገኛ ኣቶሚክ ቦምብ፡ ከቢድ ዝሕታለ ከየኸትል ሻቕሎት ነይሩኒ\" ክብል ጽሒፉ ነይሩ። ትዮዶር ሕብረት ሶቬት ኑክሌራዊ ኣጽዋር ምውናና ነቲ ሚዛን ሓልዩዎ እዩ። \" ኣብቲ እዋን ከኣ ሕብረት ሶቬት መሓዛ ኣመሪካ እምበር ጸላኢት ኣይነበረትን። ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም ህዝቢ ራሻ ምስ ኣመሪካ ኮይኑ ኣንጻር ሂትለር ብጅግንነት ተዋጊኡን መኪቱን ንሓይልታት ምዕራብ ካብ ስዕረት ዘድሓነት እያ\" ክብል ይገልጾ። እዚ ብሕብረት ሶቬት ከም \"መንእሰይ\" ዝረአ ትዮዶር ነታ ሃገር ብፕላቲንየም ዝስራሕ ተተኳሲ ኣብ ምፍራይ ብዙሕ ሓጊዙዋን መሪሑዋን እዩ። እቲ ኣመሪካ ኣብ ከተማ ናጋሳኪ ዝደርበየቶ ኒክሎራዊ ቦምባ ፕላቲንየማዊ ባእታ እዩ ነይሩዎ። እቲ ኣብ ሂሮሺማ ዝዓለበ ኣቶሚክ ቦምብ ግን ብኡራንዮም ዝበልጸገ እዩ ነይሩ። ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም ሕብረት ሶቬትን ኣመሪካን ኣንጻር ሓደ ጸላኢ ተዋጊኦም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ግን ኣንጻር ሓድሕዶም ካብ ምጽንጻን ኣየቋረጹን። ግደ ሓቂ ኣመሪካ ካብ ለካቲት 1943 ኣትሒዛ ኣብ ሕብረት ሶቬት ብቨኖና ዝፍለጥ ጸረ ስለያ ንጥፈታት ተካይድ ነይራ እያ። ኣብ ታሕሳስ 1946 ከኣ ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሕብረት ሶቬት ጠለፋ እታ ሃገርን ሰበርቲ ኮድን ኣመሪካ ናይ ጸረ-ስለያ ንጥፈታት ተካይድ ከምዘላ ፈሊጦም። በኣንጻሩ ከኣ ኣመሪካ፡ ሕብረት ሶቬት ንፕሮጀክት ኑክሌር ማንሃታን ከምዝፈለጠቶ ዝነግር ሓበሬታ ረኺቦም። ሽዑ ኣብ 1950ታት እዩ ትዮዶር ሆል ኣብ ዩኒቨርስቲ ቺካጎ ናይ ሊቅነት (PhD) ትምህርቲ ይከታተል ነይሩ። ኣብቲ ምስጢራዊ መልእኽቲ ከም ተሓባባሪ ሕብረት ሶቬት ስለዝተገልጸ ከኣ ኤፍቢኣይ ኣመሪካ ማዕጾ ገዝኡ ኳሕኲሖም መጺኦምዎ። ቅድሚኡ ሓደ ክላኡስ ፉቹስ ዝተባህለ ጀርመናዊ ሳይንቲስት ካብ ሎስ ኣልሞስ ሞል ንጸላኢ ምስጢር ኣሕሊፉ ሂቡ ብማለት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣትዩ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር ኤፍቢኣይ ካብ ቴዮደር ኮነ ሳቪል ሳክስ ኣብ መርመራ ዝወሰዱዎ ዝርዝር ሓበሬታ (ኑዛዜ) ኣይነበረን። ብዘይካ እዞም ዝተጠቕሱ ዝኾነ ካልእ ሳይንቲስት ብስለያ ዝተኸሰ የሎን። ኣመሪካ እኹል ሓበሬታን ጭብጥን ረኺባ ክነሳ ግን ስለምንታይ እያ ንትየዶር ሆል ዘይከምካልኦት ተኸሲሶም ዝእሰሩ ወይ ብስለያዊ ተግባሮም ዝቕንጸሉ ከሲሳ ኣብ ፍርዲ ዘየቕረበቶ? ምኽንያቱ ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ መታን ብመገዲ ቤት ፍርዲ ሓበሬታ ከይዞሩቕ፡ ነቶም ትዮዶር ምስ ሕብረት ሶቬት ዝለዋወጦም ዝነበረ ሓበሬታ ንቤት ፍርዲ አሕሊፋ ክትህቦ ኣይደለየትን። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ ሆል ዝኾነ ይኹን ስጉምቲ ከይተወስዶ ተሪፉ። ይኹን እምበር ንሱን በዓልቲ ቤቱን ካብ ስክፍታን ስግኣትን ኣይደሓኑን። ነቲ ኣብ ቺካጎ ጀሚሩዎ ዝነበረ ናይ ሊቅነት ትምህርቲ ኣቋሪጹ፡ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ሓደ ሆስፒታል ትሕት ዝበለ መጽናዕታዊ ስርሓት የካይድ ነይሩ። ይኹን እምበር ኣብ 1962 ኣብ ዩኒቨርስቲ ካምብሪጅ ናይ ስራሕ ዕድል ረኺቡ ምስ ሰበይቱ ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ከይዱ። ትዮዶር ሆል ኣብ 1984 ጥሮታ ወጺኡ እንተኾነ ካብ ኩሉ ተነጺሉን ርሒቑን ጽሙው ህይወት እዩ ዘሕልፍ ነይሩ። ይኹን እምበር ኣብ 1996 እቲ ምስ ሕብረት ሶቬት ዝገብሮ ዝነበረ ርክባት ንህዝቢ ክፉት ኮይኑ። ኣብቲ እዋን እቲ ንንጥፈታት ትዮዶር ሆል ዝፈልጥን ከም ምስክር ዝቐርብን ዝኾነ ይኹን ናይቲ እዋን ሰብ፡ ዋላ እውን እቲ ናይ ቀረባ ዓርኩን መዳቕስቱን ዝነበረ ሳቪለ ሳክስ እውን ሞይቱ እዩ። ትዮዶር ሆል \"ታሪኽ ናይ ዓለም ከምዝቐየርኩ እውቀስ እየ\" ክብል ንሪፖርተራት ኒውዮርክ ታይምስ ሓቢሩ። \" ምናልባት እውን ጉዕዞ ታሪኽ፡ ከምኡ እንተዘይገብር፡ ቅድሚ 50 ዓመታት ናይ ኣቶሚክ ኩናት መጋጠመ ነይሩ። ምናልባት እቲ ቦምባ ኣብ 1949 ወይ ኣብ ፈለማ 1950 ኣብ ቻይና እውን ምተደርበየ ነይሩ። እንተደኣ ነቲ ነገር ካብ ምፍጻም ገቲአዮ ኮይነ እቲ ብሳዕቤኑ ዝኽሰሶ ክሲ ክቕበሎ ድልው እየ\" ክብል ሞጒቱ። ድሕሪ እዚ፡ እቲ ኣብ ጥፍኣት እተን ክልተ ከተማታት ጃፓን ሂሮሽማን ናጋሳክን ኢድ ከምዘለዎ እናኣመነ ዝሞተ ትዮዶር፡ ድሕሪ እቲ ፍጻሜ ኣብ ዓለም ካልእ ኣቶሚክ ቦምብ ብዘይምትኳሱ ሕጉስ ምንባሩ እዩ ዝገልጽ። ብዝወሓደ ድሕሪኡ ዝተተኮሰ ካልእ ኣቶሚካዊ ቦምባ የሎን።","category":"ኒዩክሌራዊ ጸዓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49520766"} {"headline":"ሰሜን ኮርያ፡ ቦትኡ ናብ ዘይተነጸረ ሚሳኤል ኣወንጪፋ","content":"ሰሜን ኮርያ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ውሽጢ ጥራሕ ን5ይ ግዘ ክበሃል ዝኽእል፡ ክልተ ሚሳኤል ናብ ባሕሪ ኣወንጪፋ። ወተሃደራት ደቡብ ኮርያ፡ ሓጺር ርሕቐት ዝጉዓዙ ባላስቲክ ሚሳኤል ምኻኖም ገሊጾም። እዚ ፍጻመ ሓቅነቱ እንተድኣ ተረጋጊጹ፡ ንድንጋገ 11 ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝጻባእ ክኸውን'ዩ። ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ ሰሜን ኮርያዊ መዘንኡ ኪም ጆንግ-ኡን \"ደስ ዝብል ደብዳበ\" ተቐቢሉ ምስ በለ'ያ ሰሜን ኮርያ ሚሳኤል ኣወንጪፋ ዘላ። \"ካልእ ኣኼባ ዝህልወና ይመስለኒ። በዓል ሰለስተ ገጽ ጽቡቕ ደብዳበ'ዩ ጽሒፉለይ\" ክብል ጠቒሱ። እንተኾነ ሰሜን ኮርያ፡ ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ብዘካየድኦ ሓበራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ሕጉስቲ ኣይነበረትን ኢሉ። ምምሕዳር ሰሜን ኮርያ፡ ክልቲኤን ሃገራት ዘካይድኦ ዝተዋደደ ወተሃደራዊ ታዕሊም፡ እታ ሃገር ምስ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ዝበጽሐቶ ስምምዕ ዝጥሕስ'ዩ ክትብል ቁጥዕኣ ገሊጻ'ያ።","category":"ኒዩክሌራዊ ጸዓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49303556"} {"headline":"ዘተ ኒዩክሌር ኢራን፡ ማክሮንን ሩሓኒን ዘተ ዝቕጽለሉ መገዲ ከናድዩ ተሰማሚዖም","content":"ኢራን ንስምምዕ ኒዩክሌር ብምጥሓስ ምፍራይ ዩራኒየም ብዝሓየለ ምልክዑ ከም ትቕጽሎ ኣፍሊጣ። ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ዓባስ ኣራኪ፡ \"ኢራን ሕጂ'ውን እቲ ስምምዕ ክዕቀብ ትደልዮ ኢያ\" ድሕሪ ምባል ሃገራት ኣውሮጳ ነቲ ስምምዕ ንምውሓስ ዝኣተውኦ መብጽዓ ከተግብራ ከም ዘይከኣላ ነቒፉ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ፈረንሳን ኢራንን፡ ነቲ ኢራን ምስ ሓያላት ሃገራት ዝኣተወቶ ስምምዕ ኒክልየር ንምውሓስ ዘተ ዝጀመርሉ መገዲ ከናድያ ከም ዝተሰማምዓ ፕረሲደንት ኢማኑኤል ማክሮ ገሊጹ። ማክሮ ምስ ፕረሲደንት ሐሰን ሮሓኒ ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ ካብ ናይ 2015 ስምምዕ ምውጻእ ከኸትሎ ዝኽእል ሳዕቤን ዘለዎ ከቢድ ሻቕሎት ሓቢሩ። ሮሓኒ፡ ሃገራት ኣውሮጳ ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ 2015 ንኸውሕሳን ቕልጡፍ ስጉምቲ ክወስዳን ከጽውዕ ጸኒሑ ኢዩ። ኣሜሪካ ዝሓለፈ ዓመት ካብቲ ስምምዕ ድሕሪ ምውጻኣ እቲ ስምምዕ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ። ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኢራን እገዳ ድሕሪ ምንባሩ፤ እታ ሃገር ኣብ ወርሒ ግንቦት ንመስርሒ ቦምብ እተፍርዮ ዓቐን ዩራኒዮም ክብ ብምባል ግበረ መልሲ ሂባትሉ ኢያ። ኣሜሪካ ኣንጻር ኢራን ማዕቀብ ኣዊጃ ኢራን 'ተራእዩ ዘይፈልጥ' ጸቕጢ ይገጥማ ኣሎ - ሩሓኒ ፈረንሳ፡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንዘሰጋግር ኢማም ቀይዳ ኢራን ድሮ ካብቲ ክህልዋ ዝግባእ ንላዕሊ ዩራኒዮም ኣኪባ ኣላ። ገለ ተንተንቲ ከም ዝገልጽዎ ንኣሜሪካ ናብቲ ስምምዕ እንደገና ንምምላስ ዳርጋ ዘይከኣል ኢዩ። ኣውሮጳውያን ኣብ ልዕሊ ኢራን ብኣሜሪካ ዝግበር ዘሎ እገዳታት ከዝልቐኦ ዝከኣለን ይገብራ እኳ እንተ'ለዋ፤ ስምምዕ ኒዩክሌር ግና ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ። ኣብቲ ፕረሲደንት ማክሮ ብቋንቋ ፈረንሳይ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ ምስ መዘንኡ ሮሓኒ ንልዕሊ ሓደ ሰዓት ብቴሌፎን ከም ዝተዛራረበ ገሊጹ። እቲ መልእኽቲ ዋላ እኳ ኢራን ንሰንበት ገደብ ግዜ ኣቐሚጣ እንተነበረት፡ ክሳብ 15 ሓምለ ክልቲኦም ወገናት ኩሎም ተዛተይቲ ሃገራት ዝሳተፍሉ ዘተ ዝካደሉ መገዲ ከናድዩ ተሰማሚዖም። ፕረሲደንት ሮሓኒ፡ ንኣባላት እቲ ስምምዕ ዝኾና ሃገራት ዓባይ ብርጣኒያ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ቻይናን ሩስያን ነታ ሃገር ካብ ኣሜሪካ ካብ ዝገበረላ ዘሎ ተረርቲ እገዳታት ኣብ ሓጺር መዓልታት ግብረ መልሲ ብምሃብ ከድሕንኣ ጻውዒት ኣቕሪቡ። እዚ ምሰ ዘይከውን ግና ኢራን ካብቲ ስምምዕ ከም ትስሕብ ኣጠንቂቑ ነይሩ። ኣብ መንጎ ሃገሩን ሽዱሽተ ሓያላት ሃገራትን ዝግበር ርክብ ብምልዓል እገዳታት ክጅምር ከም ዝግባእ ሮሓኒ ይዛረብ።","category":"ኒዩክሌራዊ ጸዓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48898941"} {"headline":"ኢራን ብብሪጣንያ ንዝቐረበ ጻውዒት ኒኩለራዊ ስምምዕ ነጺጋ","content":"ፕረዚደንት ኢራን ሓሰን ሮሓኒ፡ ነቲ ናይ 2015 ኒኩለራዊ ስምምዕ ዝትክእ \"ኒኩለራዊ ስምምዕ ትራምፕ\" ዝተሰምየ ሓድሽ ውዕል ክቕበል ብቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ንዝቐረበሉ ጻውዒት ነጺጉ። ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ዝቐደመ ስምምዕ \"ሓጓፋት\" ከም ዝረኸበሉን ስምምዕ ክግበር ሓሳብ ከም ዘቕረበን ቦሪስ ጆንሰን ተዛሪቡ። ፕረዚደንት ሓሰን ሮሓኒ \"ትራምፕ ዝገበሮ ንኹሉ መብጽዓታት ምፍራስ\" እዩ ኢሉ። ኢራን ንገለ መብጽዓታት ናይቲ ስምምዕ ምስ ጠሓሰት፡ ብሪጣንያ፣ ፈረንሳን ጀርመንን ንምስሕሓብ ናይቲ ኒኩለራዊ ስምምዕ ከም ዘለዓዓልዖ፡ ሓሰን ሩሓኒ ከሲሱ። ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ 2018 ነቲ ስምምዕ ብምጥንጣን፡ ኢራን ናብ ሓድሽ ስምምዕ ክትኣቱ ንምስግዳድ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝነበረ እገዳታት ኣሜሪካ፡ ዳግማይ ኣንቢርዎ እዩ። እቲ ሓድሽ ውዕል፡ ንውጥናት ኒኩለር ኢራን ዘይተወሰነ ዝገትእን ምምዕባል ተወንጫፊ ሚሳይል ክተቋርጽ ዝገብርን እዩ። እቶም ካልኦት ሓሙሽተ ወገናት ናይቲ ስምምዕ ማለት ሓያላን ሃገራት ኤውሮጳ፣ ቻይናን ሩስያን እቲ ስምምዕ ክፈርስ ኣይደልያን። እቲ እገዳታት ንሰደድ ነዳዲ ኢራን ዓቢ ሃሰያ ከስዕበሉ ከሎ፡ ዋጋ ባጤራ እታ ሃገር ኣንቆልቊሉ፡ መጠን ዝቕባበ ሰማይ ኣሪጉ ኣሎ። ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝገብሮ ጸቕጢ ኣብ ግንቦት 2019 ምስ ኣዛየዶ፡ ኢራን ነቲ ጸዓት ንምፍራይ ዘገልግል ዩራንየም ኣብ ምፍራይ ንዝነበረ ገደብ ክብ ኣቢላቶ ኣላ። ዩራንየም ኒኩለራዊ ኣጽዋር ንምፍራይ'ውን የገልግል እዩ። ኣብ ፈለማ እቲ ወርሒ፡ ኢራናዊ ጀነራል ቃስም ሶሌማኒ ብኣሜሪካ ድሕሪ ምቕታሉ፡ ኢራን እቲ ናይ መወዳእታ ገደብ ከም ዘልዓለቶ ብወግዒ ክተፍልጥ ከላ፤ ኣብ ኢራቕ ናብ ዝርከብ ክልተ መዓስከራት ሰራዊት ኣሜሪካ ባሊስቲክ ሚሳይል ቶኪሳ እያ። እቲ ናይ 2015 ስምምዕ፡ ነታ ኒኩለራዊ መደባታ ንሰላማዊ መዓላ ጥራይ ምኳኑ እትገለጽ ኢራን፡ ካብ ኣሰካፊ ንጥፈታት ክትቁጠብን ዓለምለኻዊ ትካል ኣቶሚካዊ ጸዓት ምክትታል ክገብር ክተፍቅድን ኣምሳይኡ ድማ እገዳታት ክለዓለላ ዝገብር እዩ።","category":"ኒዩክሌራዊ ጸዓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51131260"} {"headline":"ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኢራን ኣብ ኲናት 'ክትድምሰሲ ኢኺ' ኢሉዋ","content":"ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ኲናት ኣይደልን ብምባል፡ ጎንጺ እንተድኣ ተላዒሉ ግን ኢራን 'ክትድምሰስ'ያ' ክብል ኣጠንቂቑ። ትማሊ ንኤንቢሲ ኣብ ዝተዛረቦ፡ ኣሜሪካ ንዝርርብ ቅሩብቲ እኳ እንተኾነት፡ ኢራን ኣጽዋር ኒኩለር ክተማዕብል ግን ኣይትፈቅድን ኢሉ። ኣብዚ ሰሙን ብኢራን ተወቒዓ ናይ ዝወደቐት ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ምላሽ ዝህብ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ኣብ ዘልዓሎ ሓሳብ ድማ፡ 150 ኢራናውያን ክሞቱ ይኽእሉ'ዮም ዝብል ሓበሬታ ከም ዝበጽሖ'ውን ሓቢሩ። እቲ መጥቃዕቲ ክፍጸም ድሉው ኾይኑ \"ናተይ ፍቓድ'ዮም ዝጽበዩ ነይሮም\" ክብል ነቲ ማዕኸን ሓበሬታ ተዛሪቡ። \"ኣይፈተኹዎን፤ ተመጣጣኒ'ዩ ኢለ ኣይሓስብን\"። ኢራን እታ ብሓሙስ ንጉሆ ወቒዓ ዘውደቐታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ክልል ኣየር ጥሒሳ'ያ እንትብል፡ ኣሜሪካ ድማ ኣብ ዓለምለኻዊ ክልል ኣየር'ያ ትንቀሳቐስ ነይራ ኣብ ዝብል ጸኒዓ ትርከብ። ትራምፕ፡ ኢራን 'ሕማቕ ጌጋ' ፈጺማ ኢሉ ኢራን ነዳዲ ዝጸዓና መራኽብ ሃሪማ'ያ ብዝብል ክሲ፡ ወጥሪ ክልቲኤን ሃገራት ተበኣኢሱ'ዩ ዝርከብ። ኣብ 2015 ኢራን ስምምዕ ምቁራጽ ምምዕባል ኒኩለር ምስ ሓያላት ሃገራት'ኳ እንተፈጸመት፡ ኣሜሪካ ግን ካብቲ ስምምዕ ኢዳ ስሒባ'ያ። ሕዚ ድማ ኣሜሪካ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰኑይ ኣብ ጉዳይ ኢራን ክዝቲ ጸዊዓ ኣላ።","category":"ኒዩክሌራዊ ጸዓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48728935"} {"headline":"ኢራን ንሲ-ኣይ-ኤ ሓበሬታ ሂቡ ንዝበለቶ ውልቀሰብ ብሞት ቀጺዓ","content":"ኢራን ሙኩር ሰራሕተኛ ሚኒስተር ምክልኻል ሃገር ዝነበረን ንኣመሪካ ሓበሬታ ኣቐቢሉ ኢላ ዝኸሰሰቶን ውልቀሰብ ብሞት ከምዝቐጽዐት ኣፍሊጣ። ሬዛ አስጋሪ ዝተብሃለ ውልቀሰብ ብሞት ዝተቐጽዐ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝኾነ ወሃቢ ቃል ቤት ፍርዲ ጎላምሁሴን ኢሰማኢሊን ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ። እቲ ወሃቢ ቃል ከምዝበሎ፡ እቲ ውልቀሰብ ኣብ 2016 ዝርዝር መደብ ሚሳኤል ኢራን ንትካል ስለያ ኣመሪካ ዝኾነ ሲ-ኣይ-ኤ ኣሕሊፉ ሂቡ ተባሂሉ አዩ ተኸሲሱ። ተቐቲሉ ዘሎ ሬዛ ኣስጋሪ፡ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዝርከብ ትካል 'ኤሮስፐይስ' ብጥሮታ ድሕሪ ምውጽኡ'ዩ ነቲ ሓበሬታ ንሲ-ኣይ-ኤ ሂቡ ዝተበሃለ። መዓዝ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወን መስርሕ ቤት ፍርዲ ከመይ ከምዝተፈጸመን ግን ኣይገለጸን። መንግስቲ ኣመሪካ ዛጊድ በቲ ተፈጺሙ ዝተብሃለ ፍርዲ ዝበሎ ነገር የለን። እቲ ወሃቢ ቃል፡ ካልእ መሐሙድ ሙሳቪ-ማጃድ ዝተብሃለ ውልቀሰብ'ውን፡ ንሲ-ኣይ-ኤን ንሞሳድን [ትካል ስለያ ስራኤል] ብተመሳሳሊ ሓበሬታ ኣሕሊፍካ ሂብካ ብዝብል ሞት ከምዝተፈረዶ ሓቢሩ። እቲ ልሒዂ ዝተብሃለ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ ሰራዊት ኢራን ኣብ ሶርያ ዘካይዶ ምንቅስቓሳት ዝምልከት ከምዝኾነ ተገሊጹ። ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ናይታ ሃገር ኑክሌርን ካልእ ወተሃደራዊ ምስጢራትን ንኣመሪካ ኣሕሊፍኩም ሂብኩም ኢሉ ዝጠርጠሮም 17 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝተወ ምግላጹ ዝዝከር እዩ። ገለ ካብኣቶም ንሞት ዝተፈርዱ ነይሮም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድማ፡ ኣብ ምክልኻል ሃገር ዝሰርሕ ዝነበረ ጃላል ሃጂዛቫር ንሲ-ኣይ-ኤ ክስልል ተረኺቡ ብዝብል ሞት ከምዝተፈርዶ ይግለጽ። ኢራን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ካብ ዘለዋ ሃገራት ዓበይቲ ሚሳኤላትን ኑክሌራዊ ጸዓትን ዘለዋ ሃገር እያ።","category":"ኒዩክሌራዊ ጸዓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53411544"} {"headline":"ኢራን ብሚስጢራዊ ባርዕ ሓዊ ትናወጽ","content":"ኣብ ደቡባዊ ኢራን ኣብ ዝርከብ መዐሸጊ መራኽብ፡ ኣስታት ሸውዓተ ጃላቡ ከም ዝተቓጸላ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን። ሰብመዚ እቲ ከባቢ ንኢንራ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ፡ እቲ ሓዊ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከም ዝኣተወን ዝኾነ ዝተጎድኣ ሰብ ከም ዘየለን ሓቢሮም። ጠንቂ እቲ ባርዕ ዛጊት ኣይተፈልጠን ዘሎ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ከምዚ ዓይነት ተኸታተልቲ ሚስጢራዊ ፍጻመታት ከጋጥሙ ምቕናዮም ጥርጣረታት ፈጢሩ'ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ትካል መፍረ ሚሳይል፣ መመንጨዊ ጸዓት፤ ሕክምና፡ ከምኡ'ውን ኒዩክሌራዊ ህንጻ ብነትጉን ባርዕ ሓውን ዓንዩ'ዩ። እዚ ፍጻመታት፡ ሽርሕታት ናይ ደገ ሓይልታት ዝተዋስኡሉ ከይኮነ ኣይተርፍን ዝብሉ ግምታት ኣሕዲሩ'ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ከተማ ማሻሃድ ዝርከብ ኢንዱስትርያዊ ዞባ ብባርዕ ዓቢ ጉድኣት ከም ዝበጽሖ ይግለጽ። ሰብመዚ እታ ከተማ ሽዱሽተ ገንኢ ጋዝ ብሓዊ ተቓጺሉ ከም ዝተባርዐ ተዛሪቦም ነይሮም። ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ መዓልቲ'ውን፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ከተማ ማሻሃር ዝርከብ ትካል መፍረዩ ነዳዲ ባርዕ ሓዊ ኣጋጢሙ። ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ከኣ፡ ኣብ ከተማ ቴህራን፡ ኣብ ትሕቲ ምድሪ-ቤት ሓደ ህንጻ ናይ ጋዝ ገንእታት ተቓጺሉ ከም ዝነበረ መጥፋእቲ ሓዊ እታ ከተማ ሓቢሮም። ሰበ ስልጣን ኢራን፡ ብድሕሪ እዚ ፍጻመታት ናይ ደገ ሽርሕታት ወይ ናይ ውሽጢ ዓዲ ተቓወምቲ ጉጅለታት ኢድ ከይህልዎም ይከታተሉ ምህላዎም ገሊጾም። ኣብ 2010፡ ኣብ ኣመሪካን እስራኤልን ተሰሪሑ ተባሂሉ ዝጥርጠር ናይ ኮምፒዩተር ቫይረስ ነቲ ኣብ ናታንዝ ዝርከብ ኒዩክሌራዊ ማሽነሪታት ጉድኣት ኣውሪዱሉ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።","category":"ኒዩክሌራዊ ጸዓት","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/53426842"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ 'ሓዘን ዘለዎ ናፍቖትና ኢና ብስእልታት ንገልጽ ዘለና'","content":"ካብ ትውልዲ ዓድኹም ወጻኢ እትነብሩ ሰባት፡ ሓደ ሰብ ናብ ናብ ሃገሩ ክምለስ እንከሎ 'ንዓዲ ገጽካ ትገይሽ እንተሃሊኻስ፡ እዛ ኣቕሓ እንዶ ተማልኣለይ? ንስድራና ኣብጽሕሎም' ምባል ለሚድኹም ትኾኑ። ናይ ድምጺ መልእኽቲ ግን ከም ኣቕሓ ብሓደራ ተላኢኹ ክብሃል ሰሚዕና ኣይንፈልጥን። ሐዚ ግን ኣብ ትግራይ ከምኡ እዩ ዘሎ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ 17 ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት፡ ሰባት ድምጾም ቀዲሖም ብሓደራ ልኢኾም እዮም። ኣብቲ ክልል፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ስልኪ፣ ኢንተርነት፣ ባንክን ካልእን ንኣዋርሕ ደስኪሎም ስለ ዘለው፡ ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ ድሃይ ስድራ ወይ መሓዛ ክረኽቡ ከም ዘይክኣሉ ይዛረቡ። ስለዚ እንተኽኢሎም ድምጺ'ዮም ዝልእኹ። እቲ መልእኽቲ ከብጽሕ ናብ ዝኽእል ሰብ ድምጾም ቀዲሖም ብምልኣኽ መልሲ ይጽበዩ። እቲ መልእኽቲ፡ 'ኣደይ ድሓን ዲኺ'፤ 'ባባ ድሓን ዲኻ?' ዝብል ይኸውን። ነዚ ዝሰምዑ ኣባላት ስድራቤት መልእኽቲ እንተሃልዩዎም \"ዛ ጓለይ ድሓን ኢና\" ኢሎም ተስፍኦምን ፍቕሮምን ዘይጎደሎ መልእኽቲ ይሰዱ። ድሕሪኡ፡ እቲ ናይ ሓደራ መልእኽቲ ዘብጽሕ ሰብ ኢንተርነት ኣብ ዝረኽበሉ ቦታ ምስ በጽሐ መሊሱ ናብ ተቐባሊ ይልእኽ። እዚ ዝበጽሖ ዕድለኛ ሰብ እዚ ዝበጽሖ መልእኽቲ ሓቚፉ ይቑዝም። እዚ ግን ሚሊዮናት ኣብ ትግራይን ካብ ትግራይ ወጻእ ዝርከቡን ተወለድቲ እቲ ክልል ብቐሊሉ ዝረኽቡዎ ዕድል ኣይኮነን። እዚ፡ ናይቶም እታ ዘላ ጸባብ ዕድል ረኺቦም ሓሳብ ልቦም ዝሰመረሎም ንሒደት ሰባት እዩ። ሄርሞን ገብረሃዋርያ ሓንቲ ካብኣቶም እያ። \"ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ናይ ቀይሕ መስቀል ዕድል ተረኺቡ ስድራይ ክረኽቦም ተጸብየ ነይረ፤ ግን ኣይሰመረን። ክሳብ ሕጂ ኣረኸብኩዎምን። ሓሓሊፉ ኢንተርነት ናብ ዘለዎ ቦታ ንዝኸዱ ሰባት ግን ቤተሰብ ከመይ ኣለው ኢልና ንሓቶም ኢና፤ ዕድል እንተገይርና ድሃይ ንረክብ። ተስፋ እንድዩ ንሰብ ዘንብሮ፡ ይህልው'ዮም ኢለ ተስፋ ይገብር\" ትብል። ነዚ'ዩ ዝኸውን፡ በታ ኣብዚ ቕነ ንዝተጀመረት #SendLoveToTigray እትብል ሃሽታግ እንተርኢኹም፡ ሃረርታን ሻቕሎትን ናይቶም ብሰንኪ ኲናት ሃለዋትን ኩነታትን መቕርባቶም ክፈልጡ ዘይኽኣሉ ሰባት ብብዝሒ ዝተርኣዩ። እዚኦም፡ ገጾም ብስሓቕን ፍሽኽታን ዝደመቐ፣ ምትእኽካብ፣ ጽቡቕ ማሕበራዊ ህይወት፣ ኩስሚ፣ ኣውደ ኣመት፣ ዝምድና፣ ቤተሰባዊ ምትሕልላይ፣ ጉርብትና ይርኣዮም። እዞም ካሜራ ቀዲሑ ዝሰነዶም ናይ ሕሉፍ ምስልታት ንሎሚ ዝኸውን ናፍቖት ወይ ፋቕዕ ሒዞም ኣለው። እቲ ስእሊ ዝርእዩ ግን ናፍቖት ጥራይ ዘይኮነ ተስፋ'ውን ከካፍሉ ይደልዩ። ብዙሓት መዓልታት ሓሊፉ ዝመጽአ ጽባሕ'ውን ዳግም ብዓይነ ስጋ ክራኸቡ፣ እቲ ብሰንኪ ኲናት ዝፈረሰ ማሕበራዊ ህይወቶም ክሃንጹ የመዓድው። እዛ ሃሽታግ ምስ መጽአት፡ ብዙሓት ኣልበም ስእልታቶም ገማጢሎም ናይ ቀደምን ሎምን ስእሊ ስድራቤቶም፣ ኣሕዋቶም፣ መሓዙቶምን መተዓቢቶምን ብምልጣፍ ተዘክሮታቶምን ናፍቖቶምን ከካፍሉ ተራእዮም። እዚኦም፡ \"ኣደይ ንመወዳእታ ግዜ ካብ ዘዘራርባ 314 መዓልታት ኮይኑ . . . ድሃይ ስድራና ካብ ዝሰምዕ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኮይኑ . . . ዓደይ ናፊቐ . . .\" ዝብሉ ይርከቡዎም። ናፍቖት ካብ ተላዕለ፡ ዳግማዊት እቲ ሕጂ ዝስምዓ ናፍቖት ካብቲ ዝተለምደ ዝተፈለየ'ዩ። \"እዚ፡ እቲ ዝለመድናዮ ምንፋቕ ወይ ናፍቖት ጥራይ ኣይኮነን፤ ብዝኾነ ምኽንያት ቤተሰብ ርሒቕኻዮም ጸኒሕኻ ትናፍቕ ኢኻ። ናይ ሕዚ ግን፡ ሓዘን ዘለዎ ናፍቖት'ዩ። ኣብ ውሽጢ እቲ ናፍቖት ብህይወት ይህልው'ዶ? ከግንዮም ድየ? ክንራኸብ ከለና ከመይ ንብል ንኸውን? ዝብሉ ስግኣታት'ውን ዘለዎ'ዩ ዘለዎ\" ትብል ዳግማዊት። ዳግማዊት፡ ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ዝነበራ ሒደት ሳምንታት ብስራሕ ምኽንያት ካብ ትግራይ ክትወጽእ እንከላ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ግን ስድራኣ፣ እትፈትዎም መሓዙታ፣ ኣሕዋታ ከም ዘይረኸበቶም እያ ትዛረብ። ኣብ ርእሲኡ፡ እቲ ውግእን ወረ ውግእን መሊኡ ስለ ዘይረግአ፡ መቕርባ ብህይወት ይሃልው ይሙቱ ዘይምፍላጣ ወይ'ውን እትፈልጠሉ መገዲ ዘይምህላው ቅሳነት ካብ ዘስእኑዋ ነገራት ምዃኖም ትገልጽ። እንተኾነ፡ ኣብተን ዝሓለፋ መዓልታት ብዙሓት ስእሊ መማህርቶም፣ መተዓብይቶም፣ ሓውን ሓፍትን፣ ዝፈትውዎ ከተማ ብምልጣፍ፡ ነቶም ንልዕሊ ሓደ ዓመት ክረኽቡዎም ዘይኽኣሉ ሰባት ብሃሽታግ ኣቢሎም እናዘከሩ ሓልየቶምን ፍቕሮምን ክልእኹ ምስ ርኣየት ንሳ'ውን ተጸንቢራቶ። \"እዞም ስእልታት ምርኣይ ምስ ጀመርኩ ዝዘክርኹዎም ሰባት፡ ኣበይን ከመይን ይህልው? ኢለ ብዙሕ ሓሲበ። ዝኾነ ሰብ፡ 'ኣበይ ኮን ይህሉ?' ኢልካ ምሕሳብ ኣዝዩ ስምዒታዊ'ዩ ዝገብረካ። ማሕበራዊ ሚዲያ እቲ ብሕታዊ ምስ ሰባት ከነውግዐሉ ንኽእል፣ ሓሰብና፣ ስምዒት ኩሉ እንገልጸሉ ቦታ ስለ ዝኾነ፡ ስእሊ እንፈልጦም ሰባት ብምርኣይ ዝሓለፍናዮ ተመሊስና ክንዝክር ገይሩና'ዩ\" ትብል። ስእሊ፡ ብቐሊሉ ዘይትግምቶ ሓይሊ ኣለዎ፤ ዝተፈላለዩ ሰባት ብመንፈስ ክራኸቡ ይገብሮም፣ ንድሕሪት መሊሱ ትዝታታት ይህቦም። ነዚ ስነ ጥበባዊ ዮውሃንስ ትካቦ [ወዲ ትካቦ] 'ዝባን ስእልታተይ' ኣብ ዝብል ሙዚቃ ግርም ገይሩ ገሊጹዎ'ዩ። ወዲ ትካቦ፡ እቲ ስእሊ እምበር ፍቕሪ ከም ዘይበሊ፣ ስእሊ እምበር ታሪኽ ከም ዘይበሊ፣ ስእልታት ዛንታ ንእስነትን መዘከርታ መተዓቢትኻን ከም ዝኾነ የዘንቱ። \"ኩላትና፡ ብዛዕባ ትግራይ ንናፍቖ ኣብ ውሽጥና ዝነብር ፍቕሪ ኣለና፤ እዚ ብብዙሕ ነገር ዝግለጽ እዩ። ባህልና ብዘርእዩ ስእልታት፣ ብስእሊ ፍሉጣት ሰባት ወይ ብማሕበራዊ ምንቅስቓሳት እቲ ሕብረተሰብ ክግለጽ ይኽእል\" ዝብል ጎይትኦም ተገኝ፡ ነዚ ሃሽታግ ዘበገሰ ውልቀሰብ'ዩ። ጎይትኦም፡ ክኢላ ኮምዩኒኬሽንን ዓለምለኻዊ ርክባትን ስለ ዝኾነ፡ ዝተፈላለዩ ነገራት ብስእልን ምስልን ናይ ምሓዝ ናይ ነዊሕ ዓመታት ልምድን ተሞኩሮን ኣለዎ። እዚ ጎስጓስ፡ ብኽልተ ምኽንያታት ከም ዘበገሶ ዝገልጽ ጎይትኦም፡ ብቐንዱ ብዙሕ ሰብ ኣብ ሓደ ጽቡቕ ዛዕባ ክመጽእ ብምግባር ትርጉም ዘለዎ ነገር ንምሕላፍ ዝዓለመ ምዃኑ ይዛረብ። \"ስድራና ብዛዕብኦም ንሓስብ ከም ዘለና ወረ እንተበጺሑዎም ተስፋ ንክኾኖም'ዩ፤ እቲ ዘለውዎ ኩነታት ከቢድ'ዩ፤ ኲናት ክጅመር እንከሎ ኣብ ትግራይ እየ ነይረ፤ ብምቁራጽ ኣገልግሎታት፣ ሰባት ክራኸቡ ዘይምኽኣሎም፣ ዕዳጋታት ዕጽው ምዃን፣ ባንኪ ዘይምህላው፣ ገንዘብ ምስኣን እንታይ ከም ዝመስል ብዝተወሰነ መልክዑ ርእየዮ እየ። \"ሕዚ ክኣ ንነዊሕ ግዜ ክኸይድ እንከሎ ክሓስቦ እውን ይኸብደኒ'ዩ፤ ስለዚ ሰባት ንስእልታትና ርእዮም ተራኺቦም ጽቡቕ ነገር ከውግዑ እንተኽኢሉም፡ ብዛዕባና እንተሰሚዖም፣ ሓልዮትና እንተተረዲኡዎ፣ ተስፋ ክኾኖ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ\" ይብል። መብዛሕትኦም፡ ካብ ትግራይ ወጻኢ ዝርከቡ ተጋሩ፡ ምስቲ ኣብቲ ክልል ዘሎ ምቁራጽ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ምስ መቕርባቶም ዝራኸብሉ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ ከም ዝኾነ ይዛረቡ። \"ኣብ ብዙሕ ኣዋርሕ ኢኻ ድሃይ ትሰምዕ፤ ግን ሃለዋቶም ኣይንፈልጥን። እቲ ኩነታት ከቢዱ ስለ ዘሎ፡ ተስፋ ናይ ምቑራጽ፣ ሞራልካ ናይ ምትንካፍ ስምዒት'ዩ ዘምጽኣልካ። እዚ [ሃሽታግ] ነዚ ከቢድ ግዜ ብዝተወሰነ መልክዑ ንክንሓልፎ የኽእለና እዩ ኢሉ ስለ ዝኣመንኩ እየ ክንጅምሮ ገይርና\" ይብል። \"ብቐንዱ ብዙሕ ሰብ ኣብ ሓደ ጽቡቕ ዛዕባ እንድሕር ኣምጺእና ሓያል ትርጉም ከነሕልፍ ንኽእል ኢና፤ ንኣዋርሕ፡ ብጣዕሚ ዝርብሽ፣ ጎነጽ ዝተሓወሶ ዜናታት ኢና ክንሰምዕን ክበጽሓናን ጸኒሑ፤ ደብዳብ ነፈርቲ፣ ሞት ህጻናት፣ ጥምየት ክትጻወሮ ዘይትኽእል ምስልታት ክበጽሐና ጸኒሑ'ዩ\" ይብል። ብምስዓብ \"እዚ ኽኣ ንጥዕና ሰባት ኣዐርዩ ጸልዩዎ'ዩ፤ እቲ ኣእምሮ ስለ ዘይቐሰነ ሰባት ኣይድቅሱን፣ ስርሖም ብስነ ስርዓት ክሰርሑ ኣይኽእሉን፤ ከምዚ ብምግባርና ብዝተወሰነ መልክዑ ትኹረትና ኣብ ጽቡቕ ነገር ክኸውን እንተኾይኑ ብዛዕባ ስድራና እንሓስበሉ ኩነታት ብምፍጣር እዩ\" ኢሉ። ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ስልኪ ካብ ዝዕጾ ንድሓር፡ ሓሓሊፉ ናይ ድምጺ መልእኽቲ እኳ እንተበጽሓ፡ እቲ መዓዝ ከም ዝተላእኸ ዘይትፈልጦ መልእኽቲ ብጣዕሚ ንኡሽቶ ሓበሬታ ዘለዎ ብምዃኑ \"ክትሓቶም ብእትደሊ ሕቶታት ዝተመልአ'ዩ\" ትብል ዳግማዊት። \"ግን ክትሓቶም ኣይትኽእልን፤ ኣብቲ መልእኽቶም ገለ ነገራት ይነግሩኻ እሞ ትንጥልጠል፤ መሊስካ ክትሓትት ትደሊ። ግን ድምጾም ምስማዕኻ ጥራይ፡ ክሳብ ሕዚ ኣለው'ዮም ኢልካ እፎይታ ትረክብ\" ኢላ። #SendLoveToTigray ምስ ተጀመረ፡ ዳግማዊት ካብ ዘካፈለቶም ስእልታት እቲ ሓደ ናይ ሓፍታ ናይ መርዓ ስእሊ እዩ። ኣብ መርዓን ኲናት ዘሎ ኣፈላላይ ንኹሉ ግልጺ'ዩ፤ እቲ ሓደ ጫፍ መግለጺ ሓጎስ ኮይኑ እቲ ካልእ ምንጪ ከቢድ ሓዘንን ምፍልላይን እዩ። \"ኣብዚ ህሞት ኮይንና ግን እቲ ሃሽታግ ንባዕሉ እወንታዊ'ዩ፤ ንእትፈትዎም ሰባት ፍቕሪ ምልኣኽ ዓብዪ ነገር'ዩ፤ ምናልባት ሓደ መዓልቲ እቶም ሕዚ እንልጥፎም ዘለና ሰባት ክርእዩዎ ይኽእሉ'ዮም፤ ሰባት ክትሓስቦም ከለኻ'ውን ይሓስቡኻ'ዮም፤ እዚ እወንታዊ ሓይሊ'ዩ\" ብምባል ጽቡቕ ስምዒት ከም ዝፈጠረላ ትዛረብ። እቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝጥቅዑ ዘለው ምስልታትን ቪድዮታትን፡ ዝተፈላለዩ ውልቀሰባት ኣብ ህዝባዊ በዓላትን ግጥማት ስፖርትን፣ ኣብ ማሕበራዊ ፍጻሜታት፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ፣ ኣብ ጉዕዞ፣ ኣኼባታትን ካልኦት ፌስቲቫላትን ዝነበሮም ተዘክሮታት ዘርእዩ ይርከቡዎም። ሕጂ'ውን ከምዚኦም ዝበሉ ኣካል ህይወት ደቂ ሰባት ዝኾኑ ነገራት ክርስዑ የብሎምን እትብል ሄርሞን ገብረሃዋርያ፡ በዚ ኣጋጣሚ ንመሓዙታን ፈለጥታን ናይ ተስፋ መልእኽቲ ትጥቀመሉ ከም ዝነበረት ገሊጻ። \"ህዝቢ ኣብ ጥምየት፣ ስደትን ጸበባን እዩ ዘሎ፤ ኣለው'ዶ የለውን ኢልካ ክትሓትት ከለኻ፡ መልሲ ኣብ ዘይትረኽበሉ ኩነታት ኢና ዘለና። ስለዚ እቶም ዘለው ወይ ምሳና ዝነበሩ፣ ብዙሕ ስራሕቲ ሓቢሮምና ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰባት ሕዚ'ውን እንተሃልዮም ተስፋ ንከይቖርጹ፡ ኣብ ጎኖም ከም ዘለና፣ እቶም ስራሕቲ'ወን ድሕሪ ትንሳኤ ትግራይ ክቕጽሉ ምዃኖም ኢና መልእኽቲ ነሕልፎሎም ዘለና\" ትብል። ኣብ ትግራይ፡ ከምዚኦም ዝበሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣዘራረብቲ ዝኾኑ ጉዳያት ውሑዳት ሰባት ዝረኽቡዎም ኮይኖም እቲ ዝተረፈ ካብ ስክሪን ብዝተወስደ ስእሊ ርእዩ ሓበሬታ ይረክብ። መረሳ* ዝተባህለ ሓደ ወሃቢ ርኢይቶ \"ሰብ ኣብ ከቢድ ኩነታት ስለ ዘሎ ከምዚ ዓይነት ነገራት ዳርጋ ናብ ምርሳዕ ኣትዩ'ዩ፤ ኣብ ገሊኡ ናተን ናይ መሓዙተይ ስእሊ ምስ ኣርኣዩኒ ግን ከምዚ ዝበለ ስእሊ'ውን እባ ነይሩኒ እዩ ኢሉ ንሕሉፍ ህይወተይን ሕዚ ዘለኹዎን ርእየ ሓዚነ\" ኢሉ። ወሲኹ፡ \"ሕጂ ብዛዕባ ዕለታዊ እንጀራና ኢና ንሓስብ፤ ስራሕ፣ ኢንተርነት፣ ባንኪ ዘይምህላው ንኣነባብራና ቀይሩዎ'ዩ። ምትንፋስ ጥራይ እምበር ተስፋ ዘይብሉ ህይወት ኢና ንነብር ዘለና\" ኢሉ። እቶም ብደገ ኮይኖም ኣብዚ ጎስጓስ ዝተጸምበሩ ሰባት'ውን፡ ከም ሓደ መጸናንዒ ናፍቖቶምን መጻኢ ባህጎምን እኳ ይጥቀምሉ እንተለው፡ ኣቓልቦ ዓለም ናብ ካልእ ቅልውላዋት ዘይሩ ብምህላው ዘለውሉ ጸገማት ንከይርሳዕ መዘኻኸሪ ክኸውን ዕላማ ዝገበረ'ውን ምዃኑ ይዛረቡ። \"ሕዚ'ውን እቲ እንሓልፎ ዘለና ክስምዑዎ ኣለዎም። ከምዚ ኢሉ ክቕጽል ክትርኢ የሕዝን'ዩ፤ ግን ኣብ ውሽጢ እቲ እነሕልፎ ዘለና ዝኽሪ ጽቡቕ ቃንዛ ዝብሃል ኣሎ። ሓጎስን ሓዘንን'ዩ ፈጢሩለይ፤ ከምዚኦም ዝበሉ ነገራት'ዮም ካብ ቃንዛና እንፍወሰሉ መገዲ ክኾኑ ዝኽእሉ\" ትብል ዳግማዊት። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኩሎም እቲ ኲናት ከእክል፣ ሰላም ክመጽእ፣ ዝተቛረጹ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ተመሊሶም ናብ ስድራቤቶምን መሓዙቶምን ዝተሓዋወስሉ ግዜ ክመጽእ ይብህጉ። \"ሕዚ ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ናይ ስነ ልቦናውን ኣካላውን ማእሰርቲ'ዩ ዘሎ ኢለ እየ ዝኣምን\" ዝብል ጎይትኦም፡ እዚ ክሳብ ዝሓልፍ እንተሓጋገዘሉ ጽቡቕ መንፈስ እንፈጥረሉ ነገር ክንገብር ኣለና። ኩሉ ክኽፈት እንከሎ እዚ ሕዚ እንሃንጾ መንፈስ እዩ ዓድና ደጊምና ንክንሃንጽ፣ ስድራና ክንሕግዝ፣ ኣሕዋትና ናብ ቤት ትምህርቲ ክንመልሰ ንኽእል\" ኢሉ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-61196342"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ፌስቡክን ትዊተርን ኣብ ኢትዮጵያ ዘረባ ጽልኣት ዝምልከት እንታይ ገይሮም?","content":"ማሕበራዊ መራኸቢታት ፌስቡክን ትዊተርን ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ጎንጺ ኢድ ኣለዎም'ዩ ብዝብል ሓያል ጸቕጥን ነቐፌታን ክበጽሖም ጸኒሑ። ነቐፍቲ፡ እቶም ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብታ ሃገር ናይ ጽልኣት ዘረባን ጎንጺ ዘለዓዕሉ ጽሑፋትን ኣብ ገጻቶም ንከይጥቃዕ ንምክልኻል እኹል ስራሕ ኣይሰርሑን ብምባል ይነቕፉዎም። እቶም ኩባንያታት ግና ነቲ ነቐፌታታት ኣይቕበሉዎን። ስለዚ፡ እንታይ ገይሮም ዝብል ንገለ ኽፋሉ ዳህሲስናዮ ኣለና። ካብ ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ እቲ ዓሰርተ ሚእታዊ ጥራሕ ፌስቡክ ከም ዝጥቀም ሓበሬታ እቲ ኩባኒያ የመልክት። ኣብታ ሃገር ዘሎ ዝርግሐ ኢንተርነት'ውን ትሑት ዝበሃል ኮይኑ ኣብ ገለ ከባቢታት'ውን ሕጽረት ትሕተ ቕርጺ ብሮድባንድ ኣሎ። እንተኾነ፡ ኣብ ሃገራት ወጻኢ ዘለው ኢትዮጵያውያን ማሕበራዊ ሚዲያ ብሰፊሑ ዝጥቀሙ'ዮም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዝጥቅዖም ጽሑፋት ድማ ዓሰርታት ኣሽሓት ተጠቀምቲ ይፈትዉዎን ናብ ካልኦት የባጽሑዎን። መንግስቲ ኢትዮጵያን ተቓወምቱን ክኣ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ እንታይ ይኸውን ኣሎ ዝብል ብቐረባ ይከታተሉዎ። ንኣብነት፡ ፌስቡክ: ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝተለጠፈ ኢትዮጵያውያን ንዕጡቓት ትግራይ \"ክቀብርዎም\" ዝጽውዕ ጽሑፍ ምስ ኣለዮ መንግስቲ ሓያል ነቐፌታ ኣቕሪቡ'ዩ። \"ከም ፌስቡክ ዝበሉ ጎንጺ ክዝርግሑ ዝጸንሑ ትካላት ናይ ቀዳማይ ሚኒስትርና ጽሑፍ ብምእላይ ትኽክለኛ ሕብሮም ኣርእዮምና\" ይብል እቲ ብመንግስቲ ዝወጽአ መግለጺ። ወሃቢ ቃል ሜታ - ኣደ ኩባንያ ፌስቡክ: ንቢቢሲ ከም ዝበሎ \"መን ይኹን ብዘየገድስ ናትና መትከላት ማሕበረሰባዊ ደረጃ ዝጥሕሱ ትሕዝቶታት ንኣሊ ኢና\" ኢሉ። ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ድሕሪ እቲ ጎንጺ ብግልጺ ጎንጺ ዘለዓዓሉን ብሄር ተኮር መጥቃዕቲ ክበጽሕ ዝገበሩን ጽሑፋት ከም ዝወሰኹ ይገልጽ። መብዛሕትኦም \"ክትትል ከይተገብሮም ዝሓለፉ\" እዮም ኢሉ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚስጢር ፌስቡክ ዘቃልዐት ሰራሕተኛ እቲ ትካል ዝነበረት ፍራንሲስ ሁገን: ፌስቡክ \"ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት ዓሌታዊ ጎንጺ የጋድድ ኣሎ\" ክትብል ነቒፋ ነይራ። ከም ትዊተር ኣብ ዝኣመሰሉ ካልኦት ማሕበራዊ መራኸቢታት'ውን ጎንጺ ዘጓሓህሩ ኣብነታት ኣለው። እቲ ኣብ ላዕሊ ዝርኣይ ንሓይልታት ትግራይ ዝድግፍ ኮይኑ፡ ኣንጻር ኣብዪ ጎንጺ ዘለዓዕል ትሕዝቶ ስለ ዝነበሮ ክኽወል ገይርና ኢና። እቲ ኣብ ታሕቲ እትርእዩዎ ዘለኹም ንኣብነት ዘምጻእናዮ ጽሑፍ ድማ ንኣምሓራ ዝድግፍ ናይ ፌስቡክ ገጽ ኮይኑ ብተመሳሳሊ ምኽንያት ሙሉእ ትሕዝቶን ምስልን ንከይርኣይ ኸዊልናዮ ኣለና። \"ናተይ ስግኣት ኣብ ልዕሊ ከምዚኦም ዝበሉ ግልጺ ኣብነታት ስጉምቲ ዘይወስዱ ምህላዎም'ዩ፡ ትብል ተመራማሪት ዳታ ተምኒት ገብሩ። ንሳ፡ ሓንቲ ካብቶም ኣብ ቀረባ \"ከሓድቲ\" ክውገዱ ኣለዎም ብዝብል ዝተለጠፈ ጽሑፍ \"ዓሌታዊ ምጽናት\" ዘለዓዕል'ዩ ብዝብል ካብቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ክእለ ዝሓተቱ'ያ። መጀመርታ ፌስቡክ ንፖሊሲታቱ ዝጻባእ ኣይኮነን ኢሉ ነይሩ፤ ጸኒሑ ግን ኣሊዩዎ። \"ድሕሪ ኹሉ፡ ነቶም ልጣፋት ምስኣለይዎም'ውን . . . ኣብ ልዕሊ እቶም ገጻት ስጉምቲ ኣይወስዱን'ዮም\" ትብል ተምኒት። ንገዛእ ርእሱ 'ኔትዎርክ ኤገይንስት ሄት ስፒች' ኢሉ ዝጽውዕ ጉጅለ ናይ ባዕሉ ናይ ፌስቡክ ገጽ ብምግባር ዘይቅቡል ንዝበሎም ትሕዝቶታት ምልክት ይገብርን ኣንበብቲ ንዝረኸብዎ ተመሳሳሊ ትሕዝቶታት ሪፖርት ክገብሩ ይሓትትን። ብተወሳኺ፡ ቢቢሲ ንሕግታት ፌስቡክ ዝጥሕሱ ምዃኖም ምልክት ክሳዕ ዝገብረሎም ንሰሙናት ከይተኣለዩ ዝጸንሑ ልጣፋት ነይሮም። ግን ድማ እቲ ኩባኒያ ብዛዕባ ገሊኦም ሓበሬታ በጺሑዎ እኳ እንተነበረ ንፖሊሲታቱ ዝጥሕሱ ስለ ዘይነበሩ ከም ዘይኣለዮም ሓቢሩ። ኩሎም ደገፍትን ተቓወምትን መንግስቲ ዝኾኑ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ንገጻት ትዊተርን ፌስቡክን ተቓወምቶም ንምዕጻው ሪፖርት ይገብሩ'ዮም። እዚ ኣብ ታሕቲ ዝርኣይ ልጣፍ እቶም ኩባኒያታት ንኹሉ ብማዕረ ከም ዘይርእዩ ዝነቅፍ እዩ። ትዊተር ኩነታት ኢትዮጵያ ክከታተሎ ከም ዝጸንሐን \"ንድሕነት ናይቲ ኣብ ትዊተር ዝግበር ዝርርብ ንምውሓስ\" ከምዝሰርሕን ይገልጽ። ካብ ፈለማ ናይ'ዚ ወርሒ ጀሚሩ እቲ ኩባንያ ነቲ ኣብታ ሃገር ብብዝሒ ዝዘዋወር ዘሎ ሓበሬታ ዝነግር 'ትረንድስ' ዝበሃል ትሕዝቶ ንግዚኡ ከምዘወንዘፎ ገሊጹ ኣሎ። \"እዚ ስጉምቲ እቲ ጎንጺ ንክልዓልን ጉድኣት ክበጽሕን ዝገበር ሓደጋ ክንክዮ እዩ ኢልና ተስፋ ንገብር\" ኢሉ። ገለ ደገፍቲ መንግስቲ ዝኾኑ ገጻት ግና፡ እዚ ስጉምቲ ኣብቲ ንመንግስቲ ዝድግፍ ሃሽታግ ኣብታ ሃገር ሓደ ካብ'ቶም ቀንዲ ብብዝሒ ዝዘዋወሩ ዘለው ሓበሬታታት ኣብ ዝኾነሉ እዋን ከም ዝተወስደ ብምግላጽ ተቓውሞኦም ይገልጹ ኣለው። ፌስቡክ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ መምርሒታት ድሕነትን ውሕስናን ተግባራዊ ከም ዝገበረን ብቋንቋታት ኣምሓርኛ፣ ኦሮሞ፣ ትግርኛን ሶማሊኛን ዝጥቅዑ ጎንጽን ጽልኣትን ዝሰብኹ ጽሑፋት ኣብ ምክትታል ክሰርሕ ከም ዝጸንሐ ይገልጽ። \"ተዛረብቲ እቶም ቋንቋታት ዝኾኑ፣ ኣብ ባይታ ብቐረባ ነዚ ዝቆጻጸሩን ጉድኣት ዘብጽሑ ትሕዝቶታት ዝኣልዩን ሰባት ዘለውዎ ነዚ ዝኸውን ጉጅለ ኣቚምና ኢና\" ይብል። ይኹን'ምበር፡ ፌስቡክ ንነፍሲ ወከፍ ቋንቋታት ዝከታተሉ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ቖጺሩ ዝብል ግልጺ ኣይገበረን። መብዛሕትኡ ትሕዝቶታት ከይተፈተሸ እዩ ዝሓልፍ ዝብል መምህር ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሙላቱ ኣለማየሁ \"ብፍላጥ ይኹን ብዘይምፍላጥ በዞም ቋንቋታት ዝጽሓፉ ልጣፋት [ካብ ቋንቋ ኣምሓርኛ ወጻኢ ብዝኾኑ ቋንቋታት ዝጽሓፉ] ንክዕጸውን ሪፖርት ንክግበሩን ዘለዎም ተኽእሎ ትሑት'ዩ\" ይብል። ካብ ወርሒ ግንቦት ክሳብ ጥቅምቲ 2021 ፌስቡክ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 92 ሽሕ ትሕዝቶታት ፌስቡክን ኢንስተግራምን ከም ዝኣለየ ሓቢሩ። \"98 ሚኢታዊትካብኣቶም: ሰባት ናባና ሪፖርት ቅድሚ ምግባሮም ዝተፈልጡ'ዮም\" ኢሉ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59371534"} {"headline":"ወልፊ ማሕበራዊ ሚዲያ ከጨንቐኩም'ዶ ይግባእ?","content":"ኣብዚ ዘመን ብርክት ዝበሉ መተግበሪታት ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተፈላለየ ኣገልግሎታት እናሃቡ ሚሊዮናት ተጠቀምቲ ከፍርዩ ክኢሎም እዮም። እዞም ማሕበራዊ ሚዲያታት ብፍላይ ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ ህጻናት ብሰፊሑ ዝጥቀሙዎም ኮይኖም ንሳቶም'ውን ብቐንዱ ንዕኦም ትኹረት ብምግባር ሓደሽቲ ኣገልግሎታት የቕርቡ ኣለው። በዚ ምኽንኣት ብዙሓት መናእሰይ ዝበዝሐ ግዝኦም ኣብቶም ኣብ ህይወቶም ኣብዚ እቶ ዘይብሃል ጥቕሚ ዘይብሎም ኣገደስቲ ዘይኮኑ ነገራት ከሕልፉዎ ይስትውዓል። ሪኪ ሽሎት ትብሃል፤ ቅድሚ 10 ዓመት ቖልዓ 11 ዓመት እንከላ እያ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓደ ዝኾነ ኢንስተግራም ክትጥቀም ጀሚራ። ኣብዚ ነዊሕ ሰዓት ተሕልፍ ከም ዝነበረት እትዛር ሪኪ ኣብ መዓልቲ ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ሰዓት ብቐዋምነት ኢንስተግራም ትጥቀም ነይራ። \"እዚ ኩነታት ቀንዲ ኣካል ህይወት ኩሉ ሰብ ኮይኑ እዩ። ቅድም ኢሉ ኣብ መጽሄት ርኢና ኢና ጽባቐ ሰባት ንንእድ ነይርና። ሕጂ ግን እዚ መጽሄት ደድሕሬና ዝስዕበናን ኣብ ጁባና ዘሎን ነገር ኮይኑ ኣሎ\" ክትብል ትገልጾ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ ዝጥቅዕዎም ጽሑፋት ኮኑ ስእሊ እወንታዊ ወይ ጽቡቕ ምስሊ ህይወቶም ዘንጸባርቕ ስለ ዝኾነ ብዙሓት ተጠቀምቲ ነቲ ጽቡቕ መሲሉ ዝቐረበ መንነት ጥራሕ ብምርኣይ ንርእሶም ዝህቡዎ ዋጋን ርእሰ ተኣማንነትን ብእወንታን ኣሉታን ክጸልዎ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ሰብ ሞያ ይገልጹ። ሪኪ \"ናተይ ህይወት'ውን 'ናይ ኢንስተግራም ሪኪን ትኽክለና ሪኪን' ብዝብል መገዲ'ዩ ክህነጽ ጀሚሩ\" ትብል። እቲ መተግበሪ ቖልዑ እናሃለው ምጥቃም ዝጀመሩ ካልኦት ሰባት'ውን ተመሳሳሊ ተጓንፎ እዩ ዘለዎም። ጓል 14 ዓመት ኣሊኖር \"ቖልዓ እናሃለኹ ሰባት ብዛዕባይን ብዛዕባ ኢንስተግራምን ዝበሉ እንተበሉ ድምብርጽ ኣይብለንን ነይሩ። ሕጂ ግን ከምኡ ዓይነት ነገር ብዝተወሰነ መልክዑ ጸቕጢ ኣሕዲሩለይ እዩ\" ትብል። መብዛሕትኦም ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ፡ ሕማቕ ስምዒት ክገጥሞም እንከሎ ናብ ኢንስተግራም ወይ ካልእ መተግበሪ ማሕበራዊ ሚዲያ ብምኻድ ሞዴላት፣ ጸለውትን ፍሉጣትን ሰባት ብምርኣይ ግዝኦም ከም ዘሕልፉዎ መጽናዕቲ ዝገብሩ ሰባት ይዛረቡ። በዚ ምኽንያት ኣነ ነዚ ባይታ ዝምጥን ኣይኮንኩን፤ ከምኦም ክኸውን ኣይኽእልን ዝብል ስምዒት ይሓድሮም ይብሉ። ጓል 21 ዓመት ኤሚሊ ዋሽበርን \"ብዛዕባ ነብሰይ ዝኾነ ነገር ክስምዓኒ እንከሎ ካብኡ ንምህዳም ብተደጋጋሚ ናብ ማሕበራዊ ሚዲያ እየ ዝኸይድ። ኣብኡ ተመሊሰ ክመጽእ ዝገብሩኒ ሰባት ይረክብ\" ኢላ። መጽናዕታት ከም ዘመላኽቱዎ ፌስቡክን ኢንስተግራምን ጥራይ ዘይኮነ ካልኦት መተግበሪታት ማሕበራዊ ሚዲያ ሰባት ወልፊ ንምትሓዝ ብዝብል ዕላማ ዝተሰርሑ እዮም። \"ማሕበራዊ ሚዲያ ምስ ካልኦት ሰባት ዘተኣሳስረና ክፋል ኣእምሮና እዩ ዝቆጻጸሮ። ምስ ሰባት ዝህልወና ጽቡቕ ርክብ ኣብ ውሽጢ ኣእምሮና ብዝምንጪ ንጥረ ነገር ጽቡቕ ስምዒት ክፍጠር ይገብር። ገለ ማሕበራዊ ሚዲያታት ክንጥቀም እንከለና ኣብ ከይዲ ምስ ወልፊ ዘምጽእ ንጥረ ነገር ዝመሳሰል እዩ\" ትብል ጸሓፊት ዶፓማይን ኔሽን ኣና ላምብኬ። ኣብ ኣባጽሕ ካልኦት ዝህቡዎ ግልጺ ዘይኮነ ነገር ስለ ዝኾነ ወልፊ ናይ ምትሓዝ ዕድሉ ልዑል ከም ዝኾነ እዮም ሰብ ሞያ ዝገልጹ። ብተደጋጋሚ ብዛዕብኡ ክሓስቡ ከለውን ስምዒቶም ምስ ዘንጸባርቑን ማሕበራዊ ሚዲያ ወልፊ ንምትሓዝ ዝተሰርሐ ምዃኑ ክርድኡ ከም ዝጀመሩን መዓልታዊ ሰባት ውሉፋት ናይ ምግባር ዓቕሚ ይረክብ ምህላው ከም ዝተገንዘቡን ዝገልጹ ተጠቀምቲ ኣለው። ሰራሕተኛ ፌስቡክ ዝነበረትን ነቲ ትካል ዘቃልዐትን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ገጻት ዘለዎ ሰነድ ንህዝቢ ወግዓዊ ገይራ እያ። ፍራንሲስ ሃውገን \"መራሕቲ እቲ ኩባኒያ ፌስቡክን ኢንስተግራምን ካብ መጉዳእቲ ዝረሓቐ ክኸውን ምግባር ከም ዝኽእሉ ይፈልጡ'ዮም። ይኹን'ምበር እቲ ዘድሊ ለውጢ ኣይገበሩን፤ ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ሰብ ከስቢ ዘቐደሙ ስለ ዝኾኑ\" ክትብል ነቒፋ ነይራ። እቲ ሰነድ፡ ኢንስተግራም ኣብ መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዎ ጎዳኢ ውጽኢት የርኢ። \"ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ካብ ሓሙሽተ ተጠቀምቲ ኢንስተግራም እታ ሓንቲ ብሰንኪ እቲ መተግበሪ ህይወታ ከም ዝተመዛበለ ትዛረብ\" ይብል። እቲ መተግበሪ ብፍላይ ብዛዕባ ርእሶም ትሑት ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ዘለዎም ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ንሕንሕ፣ ጽዕንዕንታን ጭንቀትን ይወስኸሎም። ምስ ኢንስተግራም ኣብ ትሕቲ ሓደ ኩባንያ ዘሎ ፌስቡክ [ሜታ] ንቢቢሲ ምላሽ ሂቡ እዩ። ሰራሕተኛ እቲ ኩባኒያ ሞኒካ ቢከርት \"ዝኾነ ዓባዪ ብምኽንያት እቲ መተግበሪ ጽቡቕ ዘይኮነ ነገር ክገጥሞ እንከሎ የተሓሳስበኒ እዩ። ግልጺ ክኸውን ዘለዎ ነገር እንተሃለወ እቲ ዝተሰረቐ ሰነድ ከምኡ ኣይብልን\" ኢላ። ማእከል መጽናዕቲ ፒው ብ2018 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ 26 ሚኢታዊት ዝኾኑ ተጠቀምቲ ብዛዕባ ህይወቶም ጽቡቕ ስምዒት ንከይህሎም ከም ዝገበረ ይጠቅስ። እዚ መተግበሪ ካብ ሞንጎ ዝጥቀሙ ቖልዑት'ውን ጽቡቕ ስምዒት ከም ዘይስምዖም ዝተዛረቡ ኣለው። \"ዝኾነ ቖልዓ ከምዚ ዓይነት ነገር እንተኣጋጢሙዎ ብቐሊሉ ዝርኣይ ነገር ኣይኮነን። ከምዚ ዓይነት ሕቶታት እንሓተሉ ምኽንያት ድማ ንሕና ካብ ከስቢ ንላዕሊ ንድሕነት ከም እንግደስ ዘርኢ እዩ\" ክትብል ትምጉት። እቲ ኩባኒያ 'ኢንስተግራም ንህጻናት' ዝብል ኣዝዩ ኣካታዒ ዝኾነ መተግበሪ ከይስራሕ ከም ዝወሰነ ይዝከር። ኬሪ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንርእሳ ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ክተናግፍ እኳ እንተወሰነት ኣብ መዓልቲ ካብ ሓደ ሰዓት ዘይንእስ ትጥቀም እያ። \"ማሕበራዊ ሚዲያ ናይዚ ወለዶይ ቋንቋ እዩ ኢለ ስለ ዝሓስብ ካብኡ ወጻኢ ምስ ሰባት ክራኸብ ኣይክእልን። ግን ቑልዕነትና ተሰሪቑ እዩ። ሕጂ ግን ስለ ዝባጻሕና ከምኡ ክኸውን ኣይንደለን። እዚ ኽኣ ንድሕነትና ጠቓሚ እዩ\" ኢላ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/60331652"} {"headline":"ፌስቡክ ኣብ ልዕሊ ሮሂንግያ ብዘተኣናገዶ ናይ ጽልኣት ዘረባታት ናይ 150 ቢልዮን ዶላር ክሲ ቐሪብዎ","content":"ብዓሰርተታት ኣብ ሃገራት ኣመሪካን ዩኬይን ዝነብሩ ተወለድቲ ሮሂንግያ፡ ፌስቡክ ኣብ ልዕሊ ዓሌቶም ዝተኸፍተ ናይ ጽልኣት ዘረባ ክቆጻጸር ኣይከኣለን ብዝብል ክሲ መስሪቶም። ንሳቶም፤ በቲ ብመገዲ ፌስቡክ ኣቢሉ ዝተቓለሐ ናይ ጽልኣት ዘረባ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓሌት ዝበጽሐ ጃምላዊ መጥቃዕቲ፡ 150 ቢልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል ኣለዎ ክብሉ አዮም ሓቲቶም። ኣብ 2017 ኣብታ ዝበዝሑ ሰዓብቲ ቡዲሂስት ዝነብሩላ ሃገረ ሚያንማር ወተሃዳራት ብዝወሰድዎ ናይ ሓይሊ መጥቃዕቲ ኣስታት 10 ሽሕ ሮሂነጋውያን ተቐቲሎም እዮም። ሕዚ ሜታ ዝብል ስም ዝተውሃቦ ፌስቡክ ግን ዛጊድ ምላሽ ኣይሃበሉን። እቲ ኩባንያ 'ንዓመታት ናይ ጽልኣት ዘረባን ሓደገኛ ስኑዕ ሓበሬታን ኣብ መርበቡ ክቃላሕ ገይሩ' ተባሂሉ እዩ ዝኽሰስ። ምቕማጡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኾነ ሓደ ንሰደተኛታት ሮሂንግያ ዝውክል ናይ ሕጊ ጠበቓ ትካል ናብ ፌስቡክ ዝጸሓፎን ቢቢሲ ዝተመልከቶን ደብዳበ ከምዚ ይብል ይርከቦ፡ ኣብ ኣመሪካ ሳን ፍራንሲስኮ ድማ፤ ሓደ ጠበቓ ሕጊ 'ፌስቡክ ንገንዘብን ዕዳጋን ክብል ብህይወት ህዝቢ ሮሂንግያ ተጣሊዑ' ዝብል ዕላዊ ክሲ መስሪቱ ኣሎ። ብዜና ወኪል ሮይተርስ ዝተስርሐ ምርመራዊ ጋዜጠኝነት ዝተረኽበ ውጽኢት ድማ ይጠቕሱ። ንኣብነት ሓደ ካብቶም ኣብ ፌስቡክ ዝተቓልሑ ጸብጻባት ኣብ 2013 ዝተጠቀዐ፡ \"ከምቲ ሂትለር ንጁ ንምጥፋእ ዝገበሮ ገይርና ክንቃለሶም ኢና\" ዝብል ይርከቦ። ካልእ ድማ፡ \"ነዳዲ ገይርካ ሓዊ ስደደሎም፤ ካብኡ ምስ ኣላህ ቀልጢፎም ክራኸቡ እዮም\" ዝብል ይርከቦ። ፌስቡክ ኣብ ሚያንማር 20 ሚልዮን ተጠቀምቲ ዘለውዎ ኾይኑ፡ ንብዙሓት ዳርጋ ብሕታውን ቀንድን ምንጪ ሓበሬታ እዩ። ኣብ 2018 ኩባንያ ፌስቡክ ኣብ ልዕሊ ሮሂንግያ ዝተኻየደ ጎስጓስ ጽልኢት ዘረባ ኣብ ምክልኻል እኹል ጻዕሪ ከምዘይገበረ ኣሚኑ እዩ። ነዚ ስዒቡ ዝተኻየደ፡ ብፌስቡክ ዝተመወለ ዘይሻራዊ ጸብጻብ፡ ፌስቡክ ጽልኣት ንኽዝራእን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንክፍጸምን ጥጡሕ ባይታ ከምዝፈጠረ የረድእ። ሮሂንግያ ኣብ ሚያንማር ብመንግስትን ብህዝብን ንዓሰረተታት ዓመታት ክግለሉ እዮም ጸኒሖም። ኣብ 2017 ገለ ዕጡቓት ሮሂንግያ ኣብ ልዕሊ መደብራት ፖሊስ መጥቃዕቲ ምስ ፈጸሙ ወተሃደራት ራኺ ኣብ ዝተብሃለት ግዝኣት ሚያንማር ሰፊሕ መጥቃዕቲ ፈንዮም። ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም፤ ልዕሊ 700 ሽሕ ሰባት ድማ ናብ ጎረቤት ሃገር ባንግላድሽ ተሰዲዶም። መሬት ምቅጻል፣ ጾታዊ ዓመጻትን መቕተልትን ሓዊሱ ብዙሕ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈጸሞም ይዝረብ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2018 ፌስቡክ ነቲ ጎስጓስ ጽልኣት ምላሽ ኣብ ምሃብ ኣዝዩ ዝሕቱል ከምዝነበረ ከሲሱ እዩ። ኣብ ኣመሪካ፡ ፌስቡክ ተጠቀምቲ ብዝጥቅዕዎ ትሕዝቶ ከይክሰስ ዝከላኸለሉ ሕጊ ኣሎ፤ እንተኾነ እዚ ሕጊ ኣብ ሚያንማር ስለዘየሎ ከም መከላኸሊ ኣይሰርሕን፤ ክቕጻዕ ኣለዎ ዝብል ክሲታት እዩ ዝቐርብ ዘሎ። ቢቢሲ ካብ ሜታ ምላሽ ንምርካብ ሓቲቱ ኣሎ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59544751"} {"headline":"ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ስለምንታይ ካብ ፌስቡክ ተኣጊዱ?","content":"ፌስቡክ ንሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ካብቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ዝኣገዶ ኣፍሊጡ። እቲ ኩባኒያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ብመሰረት 'ሓደገኛ ትካላት' ብዝብል መምርሒ ከም ዝኾነ ገሊጹ። \"ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ 'ሓደገኛ ትካላት' ብፍላይ ድማ 'መንግስታዊ ዘይኮኑ ናዕቢ ዝፈጥሩ ኣካላት' ብዝብል ፖሊሲ'ዩ ተኣጊዱ\" ክብል ወሃቢ ቃል ኩባኒያ ፌስቡክ ብጽሑፍ ንቢቢሲ መልሲ ሂቡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ራዕዳዊ ጉጅለ ኢሉ ዝጽውዖ ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ምዕራብ፣ ማእከላይን ደቡብን ኦሮሚያ ዕጥቃዊ ምንቅስቓስ ከም ዘካይድ ይግለጽ። ፌስቡክ ነዚ ጉጅለ ካብቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ምእጋዱ ብሽም እቲ ሰራዊት ወይ'ውን ንዕኡ ወኪሎም ዝኽፈቱ ወይ ዝተኸፍቱ መጠቀሚታት ፌስቡክ ቐጻልነት ክህልዎም ዝፈቅድ ኣይኮነን። \"ነዚ ጉጅለ ድጋፍ ዝህብ ኣካል ወይ ነቲ ዝፈጥሮ ናዕቢ ዝንእድ\" ትሕዝቶ ካብቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክጠፍእ ይግበር። እቲ ወሃቢ ቃል ከም ዝበሎ ፌስቡክ ንዝኾነ ትካል ቅድሚ ምእጋዱ ነቲ ጉዳይ ቅርበት ምስ ዘለዎም ሰብ ሞያ ብምዃን ዝርዝር ስርዓታት ከምዝኽተል ገሊጹ። ፌስቡክ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ብዛዕባ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣፍልጦ ከም ዘለዎ ዝገለጸ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ብወገኑ እዚ ብዝተፈላለዩ ጉጅለታት \"ድምጺ ህዝቢ ኦሮሞን ካልኦት ውጹዓት ህዝብታትን ንምዕፋን\" ዝተኻየደ ፕሮፖጋንዳ ዘሕደሮ ጸቕጢ'ዩ ኢሉ። ወሲኹ ኣብታ ሃገር ዘለው ካልኦት \"ግህሰታት ሰብኣዊ መሰልን ጨፍጫፋትን ዝፈጸሙን መረዳእታ ክቐርበሎም ዝኽእልን ጉጅለታት\" ብነጻነት ፌስቡክ እናተጠቐሙ ንሰራዊት ግንባር ኦሮሞ ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ክእገድ ምግባሩ \"ፖሊሲ ፌስቡክ ዝኾነ ኣካል ጸቕጢ ከም ዝገብረሉ ግልጺ'ዩ\" ኢሉ። እዚ ፖሊሲ፡ ናይ ጽልኣት ጉጅለታት ሓዊሱ ገበናት ዝፍጽሙ ትካላትን ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣካላትን ዝምልከት እዩ። ፌስቡክ፡ መንግስታዊ ዘይኾኑ ናዕቢ ፈጠርቲ ኣካላት [ቫዮለንት ነን-ስቴት አክተርስ] ዝብሎ ፖሊሲ ኣብ ትሕቲ ሓደገኛ ትካላትን ውልቀሰባትን ዝብል ፖሊሲ እቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ይርከብ። እዚኦም፡ መንግስታዊ ዘይኮኑ ናዕቢ ዝፈጥሩ ኣካላት ብጠቕላላ ንሰላማውያን ሰባት ዒላማ ዝገብሩ ግን ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስትን ሰራዊትን ናዕቢ ዝፈጥሩ'ዮም ክብል ይገልጾም። ኣብ ዓለምና እቲ ዝዓበየ ኩባኒያ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝኾነ ፌስቡክ 'መንግስታዊ ዘይኮኑ ናዕቢ ዝፈጥሩ ኣካላት' ኢሉ ኣብ መዝገብ ከስፍር እንከሎ ኣካውንት ናይቲ ጉጅለን ንዕኡ ዝድግፍ ትሕዝቶ ዘለዎምን ከምኡ'ውን ኣባላቱ ካብ ፌስቡክ ከጥፍኦም'የ ይብል። ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሰባት እቲ ጉጅለ ዝፍጽሞ ናይ ሓይሊ ተግባራት ከይንኣዱ ዘለዎም ድጋፍ ክገልጹ ከም ዝኽእሉ ብምሕባር ሰባት ኣብ ፌስቡክ ዝዝርግሑዎም ትሕዝቶታት ዕላምኦም ግልጺ እንተዘይኮይኑ ግን ነቲ ጉጅለ ዝምልከት ትሕዝቶ ካብቲ ገጽ ክእለ ከም ዝኽእል ሓቢሩ። ፌስቡክ ንከም ኣልቃዒዳን ኣይኤስን ዝበሉ ጉጅለታት ኣሸበርቲ ይብሎም። ኣሸበርቲ ጉጅለታትን መንግስታዊ ዘይኮኑ ናዕቢ ዝፈጥሩ ኣካላትን ብምንታይ ይግለዩ ንዝብል ሕቶ ፌስቡክ መብርሂ ሂቡሉ ኣሎ። ኣሸበርቲ ጉጅለታት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ስጉምቲ ሓይሊ ይፍጽሙ ወይ ንክውሰድ ጻውዒት የቕርቡ። መንግስታዊ ዘይኮኑ ናዕቢ ፈጠርቲ ኣካላት ድማ ብጠቕላላ ሰላማውያን ሰባት ዒላማ ዝገብሩን ኣብ ልዕሊ መንግስትን ሰራዊትን ናዕቢ ዝፈጥሩ'ዮም ኢሉ። እዚኦም ኣብቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ክነጥፉ ኣየፍቅድን። ይእገዱ። ብመሰረት ስታንዳርድ ኮሚኒቲ ፌስቡክ [መምርሒታት ኣጠቓቕማ] እቶም ትሕዝቶታት ከም ዝጠፍኡ ይጠቅስ። ምምጓስ፡ ብዛዕባ ሰራዊት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ብእወንታ ምዝራብ ወይ እቲ ጉጅለ ዝወስዶም ስጉምታት ከም ዓወቲ ዘርዚርካ ኣብ ፌስቡክ ምጽሓፍ እዩ፤ እዚ ኣይፍቀድን። ምውካል፡ ነቲ ጉጅለ ዝውክል ወይ ይውክሎ'የ ኢሉ ዝተኸፍተ ገጽ፣ 'ፕሮፋይል'፣ ፍጻመ [ኢቨንት] እቲ ጉጅለ ይጠፍእ። ንኣብነት \"ቀንዲ ኣባል ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ'የ\" ዝብል ትሕዝቶ ይጠፍእ። ድጋፍ፡ ነቲ ጉጅለ ናይ ገንዘብ ወይ ንዋይ ሓገዝ ንምትእኽኻብ ወይ ድጋፍ ንምግባር ከምኡ'ውን ኣባላት ንምምልማል ዝልጠፉ ትሕዝቶታት'ውን ይእለዩ። ንኣብነት \"ንሰራዊት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ኣወፍዩ\" ዝብል ትሕዝቶ ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ካብቲ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ዝብል ሰልፊ ተነጺሉ ዝወጽአ ናይ ሰራዊት ክንፊ ከም ዝኾነ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሰነድ የመልክት። በዚ መሰረት ፌስቡክ ኣርማ እቲ ጉጅለ ፈሊይዎ ኣሎ። ብተወሳኺ 'ወራነ ቢሊሱማ ኦሮሞ' ብዝብል ዝፍለጥ ነቲ ጉጅለ ብምምራሕ ካብ ሞንጎ ዝፍለጡ ሰባት ድሪባ ኩምሳ [ጃል መሮ] ከም ዝኾነ ፌስቡክ ይገልጽ። ኣብ ኢትዮጵያ ብመምርሒ ፌስቡክ ዘይተቐየዱ ዝተፈላለዩ መልእኽታት ዘሕልፉ ብዙሓት ጉጅለታትን ውልቀሰባትን መንግስታዊ ዘይኮኑ ናዕቢ ፈጠርቲ ኣካላት ብዝብል ወይ ኣብ ካልኦት ዓውድታት ተኻቲቶም እገዳ ከም ዝተገብረሎም ወሃቢ ቃል እቲ ኩባኒያ ሓቢሩ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59006078"} {"headline":"ቴክኖሎጂ፡ ኢንተርነት ወልፊ ከም ዝኸውን ሓሲብኹም'ዶ ትፈልጡ?","content":"ካም ኣዲር ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ብዝኾነ ወልፊ 'ቪድዮ ጌም' ከም ዝተጸመደ ንክግንዘብ ነዊሕ ግዜ'ዩ ወሲዱሉ። \"ን10 ዓመት ኣሸጊሩኒ፤ ትምህርቲ ኣቋሪጸ ናብ ኮሌጅ ከይደ ኣይፈልጥን። ንስድራይ ንከዐሹ ኽኣ ስራሕ ዘለኒ የምስል ነይረ። ድሕሪኡ ነፍሰ ቕትለት ክፍጽም ድሕሪ ምሕሳበይ ደብዳበ ጽሒፈ። ሽዑ'የ ድማ ሓገዝ ከም ዘድልየኒ ዝተገንዘብኩ\" ይብል። ሕጂ ካብቲ ጸሚዱ ሒዙዎ ዝነበረ ወልፊ ቪድዮ ጌም ካብ ዝናገፍ 3860 መዓልታት ከም ዝገበረ ይዛረብ። ወዲ 32 ዓመት ካናዳዊ ካም ኣዲር፡ መስራቲ ጉጅለ ምትሕግጋዝ ጌም ዘቋርጹ ሰባት'ዩ። እዚ ጉጅለ፡ ብወልፊ 'ጌሚንግ' ንዝተጸገሙ ሰባት ብኦንላይን ሓገዝ ይህብ፤ ብደረጃ ዓለም ድማ ልዕሊ 75 ሽሕ ኣባላት ኣለውዎ። ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ፡ ዓለም ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ስጉምቲ ዕጽዋታት ብምውሳድ ምንቅስቓሳት ክትድርት እንከላ፡ ቴክኖሎጂ ብፍላይ ድማ ኢንተርነት ነቲ ብሰንኪ ዕጽዋታት ጠጠው ዝበለ ነገራት ኣብ ምንቅስቓስ ዓብዪ ተራ ነይሩዎ። ካም ድማ፡ ንኸምኡ ዝበሉ ሰባት ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዋን ከም ዝነበረ ይዛረብ። \"እቲ ለበዳ፡ ካብ ካልእ እዋን ንላዕሊ ኣብ ናይ ኮምፒዩተር ጌምን ዩትዩብን ክጽመድ ገይሩ'ዩ። እቲ ዝበዝሕ ኣብ ዩትዩብ ዝርእዮ'ውን ምስ ጌም ዝተኣሳሰር'ዩ። እዚ ክኣ እቲ ወልፊ ከምዝደግሰካ'ዩ ዝገብር\" ኢሉ። ሕጂ፡ ሃገራዊ ላይብረሪ ሜድስን ኣመሪካ ናይ ኮምፒዩተር ጌም ጽግዕተኝነት ኣካል እቲ ብሰፊሑ ዝርኣይ ዘሎ ወልፊ ኢንተርነት'ዩ ክብል ሰሪዑዎ ይርከብ። እዚ ድማ፡ \"ሕሉፍ ወይ ብግቡእ ዘይተኣልየ ምጽማድ፣ ናብ ጭንቀት ባህሪያት ዘምርሕ ኣጠቃቕማ ኮምፒዩተር ምህላው\" ይገልጽ። ብዙሓት፡ እቲ ኣብ ኢንተርነት ዝርኣይ ዘሎ ዝንባለ ብልክዕ ኣብ መዐወኒ ሓሽሽ ወይ ኣልኮል ዘሎ ወልፊ ዝግለጽ ኣይኮነን ኢሎም ይካትዑ፤ እንተኾነ ነቶም ብወልፊ ኢንተርነት ዝሳቐዩ ሰባት ቐሊል ኣይኮነን። ተመራማሪ ስነ መትኒን ክኢላ ዲጂታላዊ ወልፍን ዶክተር ኣንድሪው ዶን፡ እዚ ጸገም ኣብ እዋን ዕጽዋ ኮሮናቫይረስ ከም ዝዛየደ የረድእ። \"ጭንቀት፡ ናብ ገለ ባህርያት ዝኾነ ነገር ምድላይን መህደሚ መዲታትን እዩ ዝመርሕ። እቲ ለበዳ ድማ ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት ጭንቀት ስለ ዝወሰኸ ካብዚ ንምንጋፍ ናብ ከም ማሕበራዊ ሚዲያን ጌሚንግ ዝበሉ ዲጂታላዊ ሚዲያ ምጥቃም ኣትዩ\" ኢሉ። እዚ ካብ ጭንቀት ንምንጋፍ ብዝብል ዘጋጥም ሕሉፍ ተጠቃምነት ድማ ውሉፍ ናይ ምዃን ባህሪያት ክዓብዩ ከም ዝገብር ይዛረብ። እዚ ናይ ኢንተርነት ወልፊ ንምቅላስ ድማ፡ ብዙሓት ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ እትጥቀመሉ ግዜ ንምግዳብ ወይ ንምዕጻው ዝሕግዙ ኣማራጺታት ኣቕሪቦም'ዮም። ንኣብነት ሊነዋይዝ፡ ንህጻናት ተባሂሉ ዝተዳለወ ኮይኑ ብቐንዱ ወለዲ ዝከታተሉዎ እዩ። እዚ መርበብ ሓበሬታን መተግበርን፡ ህጻናት ኣብ ጌሚንግ ወይ ኢንተርነት ዘሕልፉዎ ግዜ ወለድን ኣለይቲ ህጻናትን ብርሑቕ ኮይኖም ክቆጻጸሩዎ የኽእል። ብተወሳኺ፡ እቶም ህጻናት ቪድዮታት ግብረ ጽዩፍን ጎነጻዊ ትሕዝቶ ዘለዎምን ንከይርእዩ ዝከላኸል \"parental locks\" ኣለዎ። ክኢላ ዲጂታላዊ ጥዕናን ስነ ልቦናን ቲዶራ ፓቭክቪክ፡ መናእሰይ ኣብ ኦንላይን ብዙሕ ግዜ ንምሕላፍ ዝተቓልዑ'ዮም ትብል። \"ኣብ ኦንላይን እተሕልፎ ግዜ ጥዑይን ሚዛናውን ገይርካ ምምጣን ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ክእለት ኣእምሮ ዝሓትት'ዩ፤ እዚ ድማ 25 ዓመት ክሳብ ዝመልአና ኣይነማዕብሎን\" ኢላ። ወሲኻ \"እቶም ናይ ኦንላይን ኣማራጺታት ግዜና፣ ትኹረትናን መረዳእታን ንምውሳድ ስለ ዝኾነ ምስቲ ኣብዚ መድረኽ ዘለው ዘይቅኑዓት ሓደጋታት ተደሚሩ ህጻናት ክዕቀን ዝኽእል፣ ዘተኣማምንን ሓላፍነት ብዝተመልኦን መገዲ ክሳተፉ ንምግባር ኣጸጋሚ ይገብሮ\" ኢላ። ኣብ ኣባጽሕ ድማ፡ ወልፊ ኢንተርነት ከም 'ቤቲንግ' ዝበሉ መተግበሪታትን ካልኦት መርበብ ሓበሬታን ስለ ዘለው ናብ ወልፊ ጠላዕ ክዓቢ ይኽእል። ቤትብሎከር፡ ሰባት ንዝደለዩዎ ግዜ፡ ዓሰርታት ኣሽሓት ናይ ጠላዕ መርበብ ሓበሬታታትን መተግበሪታትን ክዓጽው ዘኽእል መተግበሪ'ዩ። መስራቲ ዳንካን ጋርቪ \"ሕጂ ኩሉ ሰብ ካዚኖ ኣብ ጅቡኡ ሒዙዎ ዝንቀሳቐስ ኮይኑ ብምህላዉ ኣብ ዝኾነ ቦታ ኮይንካ ጠላዕ ክትጻወት ምክኣል ሓደ ካብ ዓበይቲ ጸገማት ውሉፋት'ዩ\" ይብል። ተጠቀምቲ እዚ ንሰዓታት፣ መዓልታት ወይ ሰሙናት ክዓጽውዎ ይኽእሉ'ዮም። እዚ ከኣ፡ \"ተጠቀምቲ እቲ ዝጥቀምሉ ግዜ ገደብ ንክገብርሉ ይሕግዞም\" ይብል ጋርቪ። GamBlock ካልእ መርበብ ሓበሬታ ወልፊ ጠላዕ እትከላኸለሉ መተግበሪ'ዩ። ዋና ዳይሬክተር ዴቪድ ዋር \"ኣንጻር ጠላዕ ኣይኮንና፤ እኳ ድኣ ነቶም ጸገም ዘለዎም ተጣላዕቲ ንሕግዝ እምበር\" ኢሉ። ተመራማሪ ስነ መትኒን ክኢላ ዲጂታላዊ ወልፍን ዶክተር ኣንድሪው ዶን፡ ንርእሱ'ውን ኣብ ቪድዮ ጌም ውሉፍ ስለ ዝነበረ ብዙሕ ጸገማት እዩ ሓሊፉ። \"ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ሕክምና እናተምሃርኩን ናይ ተግባር ስልጠናታት ኣብ ዝወስደሉን ግዜ ን10 ዓመታት ኣብ ሰሙን ካብ 80 ክሳብ 100 ሰዓታት ቪድዮ ጌም ይጻወት ነይረ\" ይብል። ኣብዚ ሕጂ እዋን Hooked On Games: The Lure And Cost Of Video Games And Internet Addiction ዝብል መጽሓፍ ዝጽሓፈ ኮይኑ፡ ኢንተርነት ክልተ ዝተፈላለዩ ነገራት ከም ዘለውዎ ክርኣይ ከም ዘለዎ ይዛረብ። \"ዲጂታላዊ ሚዲያ፡ ዲጂታል ሽኮርን ዲጂታል ኣሕምልትን ኢለ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ክፍልታት'የ ዝሰርዖ። እቶም ዲጂታል ኣሕምልቲ ልክዕ ከም ናይ ኦንላይን ሕክምና ኮይኖም ሰባት ጭንቀቶም ክቆጻጸሩን ንውሉፍ ባህርያት ዘቃልዖም ነገር ክንክዩን ይሕግዙ። \"እቶም ኣብ ዲጂታል ሽኮር ዝሰራዕኹዎም ከም ጌሚንግ፣ ቪድዮታት ግብረ ጽዩፍ ከምኡ'ውን ምስ ስራሕ ርክብ ዘይብሎም ማሕበራዊ ሚዲያታት ግን ንወልፊ ዘቃልዑ'ዮም- እዚኦም ብፍላይ ካብ ጭንቀት ንምንጋፍ ብዝብል ንጥቀሞም እንተኾይንና\" ክብል የረድእ። ሕጂ ግን ኩሉ ኣብ ኦንላይን ብዙሕ ግዜ ዘሕልፍ እናኾነ እመጽእ ብምህላዩ፡ እቲ ወልፊ ክውስኽ ከም ዝኽእል ይሰግእ። ካም ኣዲር ግን፡ ከም Linewize, BetBlocker ከምኡ'ውን GamBlock ዝበሉ መተግበሪታት ነቲ ጸገም ክፈትሑዎ'ዮም ኢሉ ተስፋ ይገብር። \"ኣነ ሰባት ንክሕግዙኒ ምሕታተይ ህይወተይ ኣድሒኑዎ'ዩ። ኣብ ወልፊ እናሃለኹ መታለሊ፣ ምስ ሰብ ዘይሕወስ፣ ተጓናጺ እየ ነይረ። ሕጂ ግን ሕጉስ ኮይነ ስሩዕ ህይወት ይነብር ኣለኹ\" ኢሉ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59052897"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ፌስቡክን ቴለግራምን ዝርከብዎም ማሕበራዊ ሚድያታት ተቛሪጾም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ሕቶታት ሃገራዊ ፈተና ኣብ ማሕበራዊ ሚዲኣ ተወዚዖም ሰባት ይቀባበልዎም ምንባሮም ዝገልጽ ሓበሬታ ድሕሪ ምዝርግሑ ፌስቡክ፣ ዋትስኣፕን ኢንስታግራምን ኣገልግሎቶም ተቋሪጹ። ኣገልግሎት ኢንተርነት ዝከታተል ኔትብሎክስ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 8 ሕዳር 2021 ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ፌስቡክን ናይ ፌስቡክ ሜሴንጀርን ኣገልግሎት ከም ዝተቋረጸ ገሊጹ። ብዘይካ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኢንተርነትት ኣገልግሎት ዝህብ ሰርቨር ኢትዮ-ቴሌኮም'ውን ናይ ዋትስኣፕን ናይ ቴለግራምን ኣገልግሎት ደው ከም ዝብል ገይሩ ኣሎ። ቢቢሲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከቡ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ካብ ዝረኸቦ ሓበሬታ'ውን ፌስቡክ፣ ቴሌግራም፣ ሜሴንጀርን ዋትስኣፕን ብቐጥታ ክጥቀሙ ከም ዘይክኣሉን ብቪፒኤን ይጠቀሙ ምህላዎምን ክፈልጥ ክኢሉ።። ቅድሚ ሕጂ ሃገራዊ ፈተናን ናብ ካልኣይ ብርኪ ትምህርትን ዘእትው ፈተናታት ኣብ ዝወሃበሉ እዋን ምቅድዳሕ ንከይህሉ ተባሂሉ ኣገልግሎት ማሕበራዊ ሚድያታት ዝተዓጽወሉ ኣጋጣሚታት ነይሩ እዩ። ትማሊ ድማ ሃገራዊ ፈተና ክወሃብ ጀሚሩ ኣሎ። ገለ ተቃወምቲ ናይ መንግስቲ ኸኣ እዚ እዩ እቲ ሕቶታትን እቲ መልስን ኢሎም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያተት ወረቃቕቲ ዘርጊሖም በዙሕ ሰብ ክቀባበሎ ተራእዩ። እንተኾነ ሚኒስተሪ ትምህርቲ እታ ሃገር፡ ካብዚ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ዝውሃብ ዘሎ ፈተናታት ዝኾነ ዝወጽአ ወረቐት ከም ዘየለ ብምሕባር እዚ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሑ ዘሎ ወረቐት ስኑዕ ምዃኑ ሓቢሩ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59216871"} {"headline":"ፌስቡክ፣ ዋትሳፕን ኢንስታግራምን ንሰዓታት ዝተቛረጹሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ?","content":"ትማሊ ኣገልግሎታት ማሕበራዊ ሚድያ ፌስቡክ፣ ዋትሳፕን ኢንስታግራምን ንኣስታት 6 ሰዓታት ድሕሪ ምቁራጾም ናብ ኣገልግሎት ከም ዝተመለሱ ኩባንያ ፌስቡክ ኣፍሊጡ። ኩሎም ኣገልግሎታት ብኩባንያ ፌስቡክ ዝውነኑ ኮይኖም ትማሊ ዓማዊሎም ኣብ ዌብሳይት ኮነ ብናይ ሞባይል መተግበሪታት ክጥቀሙ ኣይክኣሉን ነይሮም። ኣብቲ ምቁራጽ ኣገልግሎት ብዝተገበረ መርመራ ከምዚ ዝበለ ኣዝዩ ሰፊሕ ምቁራጽ ኣገልግሎት ተራእዩ ከም ዘይፈልጥ ተረጋጊጹ። ብደረጃ ዓለም ምስቲ ጸገም ብዝተሓሓዝ ልዕሊ 10.6 ሚልዮን ጥርዓናት’ዮም ቀሪቦም። ካብ ትማሊ ኣጋምሸት ከባቢ ሰዓት 01፡00 [07፡00] ዝጀመረ እቲ ምቁራጽ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ቀጺሉ ነይሩ። እቲ መንቀሊ እንታይ ይኸውን? ፌስቡክ ነቲ ዘጋጠመ ምቁራጽ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰለስቲኦም ኣገልግሎታት ማሕበራዊ መራኸቢ ዝጠፍኡሉ ምኽንያት ብግጉይ ለውጢ ኣሰራርዓ ወይ ኣቃውማ ምዃኑ ኣፍሊጡ። እቲ ዝተፈጠረ ግጉይ ለውጢ ኣሰራርዓ ድማ ኣብ ናውቲ ኢንተርኔትን ስርዓታትን እቲ ኩባንያ ጽልዋ ከም ዘሕደረ ገሊጹ። እዚ ኩነታት ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ዝተገበረ ጻዕሪ ክተሓላለኽ ገይሩ ኢሉ። ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ምቁራጽ ኣገልግሎት “ኣብ ናይ ተጠቀምቲ ዳታ ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ዘመልክት መረዳእታ ከም ዘየለ” እቲ መግለጺ ወሲኹ ሓቢሩ። ካልኦት ብፌስቡክ ኣቲኻ ክርከቡ ዝኽእሉ መተግበሪታት እውን በቲ ምቁራጽ ኣገልግሎት ከም ዝተጸለዉ ተፈሊጡ’ሎ። ንኽንድዚ ሰዓታት ዝኣክል ምቁራጽ ብዙሕ ዘይተለመደ ክኸውን እንከሎ ኣብ 2019 ብዘጋጠመ ምቁራጽ ግን ፌስቡክን ካልኦት መተግበሪታቱን ኣብ መላእ ዓለም ን14 ሰዓታት ጠፊኦም ነይሮም። ድሕሪ ክሲ ዘጋጠመ ምቁራጽ እቲ ናይ ትማሊ ምቁራጽ ኣገልግሎት፡ ሓንቲ ሰራሕተኛ ኩባንያ ፌስቡክ ዝነበረት ውልቀሰብ ቃለ-መሕትት ድሕሪ ምሃባ ኣብ ዘሎ መዓልቲ ዘጋጠመ ነይሩ። ፍራንሰስ ሃውገን ብዛዕባ እቲ ኩባንያ ምስጢራት ዘውጽኡ ሰነዳት ክቃልዑ ዝገበረት ኮይና ምስ ‘ሲቢኤስ’ ዝተባህለ መደበር ቴሌቪዥን ኣብ ዘካየደቶ ቃለ-መሕትት ፌስቡክ ካብ “ድሕነት ንዕብየቱ” ከም ዘቐድም ገሊጻ። ሎሚ ሰሉስ “ንህጻናት ካብ ኦንላይን ምሕላው” ብዝብል ርእሲ ኣብ ዝዳሎ መድረኽ ኣብ ቅድሚ ንኡስኮሚቴ ሰኔት ቀሪባ ምስክርነት ክትህብ ትጽቢት ይግበር። ኣብቲ መድረኽ፡ ኢንስታግራም ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ነኣሽቱ ተጠቀምቲ ዘኸትሎ ጽልዋ መሰረት ገይሩ በቲ ኩብንያ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዝቐርብ ተፈሊጡ’ሎ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58799119"} {"headline":"ሃብታም ናይ ምዃን ሕልሚ ዘጓሃህር ዘሎ ቲክቶክ","content":"መሓመድ ጋዱር ኣብ ሞባይሉ ሓደሽቲ ቪድዮታት ቲክቶክ ንምፍጣር መዓልታዊ ኣርባዕተ ሰዓታት የጥፍእ። ካብቲ ስርሑ ድማ ፅቡቕ ፍረ ከምዝረክብ ይገልፅ። ወርሓዊ ካብ 1,000 ክሳብ 3,000 ዶላር ኣታዊ ኣለዎ። ዋላ'ኳ ቲክቶክ እንኮ ምንጪ ኣታዊኡ እንተዘይኮነ፡ ግን ከኣ ወሳኒ እዩ። ንሱ ከምዝብሎ ካልኦት ዝፈልጦም ብዙሓት ሰባት ካብቲ ቪድዮ ዝዝርገሓሉ መተግበሪ (ኣፕሊኬሽን) ክሳብ 10 ሽሕ ዶላር ይረኽቡ። ንሱን ከምኡ ዝኣመሰሉ ‘ቲክቶከራትን’ ካብቲ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ብመንገዲ እቲ ‘ክሬተር ፈንድ’ ዝበሃል መስርሕ ኣቢሎም ኣታዊ ከምዝረኽቡ መሓመድ የረድእ። እዚ ማለት ምስ ፍሉጣት ፍርያት ዘፍርዩ ትካላት ብምሽራኽ በቶም ትካላት ዝምወሉ ትሕዝቶታት ብምልጣፍ፤ ወይ ብመንገዲ እቲ መድረኽ ኣቢሉ ኣገልግሎታት ብምውዕዋዕን ናይ ምምኻር ኣገልግሎት ብምሃብን ገንዘብ ምርካብ ማለት’ዩ። ንፍርያት ቴክኖሎጂ ዝኸውን ናይ መላለዪ (መወዓውዒ) ቪድዮታት ብምፍጣር፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዜ ክሳብ 60 ሚኢታዊት ዋጋ ናይቲ ፍርያት ክረክብ ከም ዘኽእሎ ድማ ይዛረብ። ናይ መሓመድ ሰዓብቲ ካብ ትምህርታዊ ቪድዮታት ንዲጂታላዊ ዕዳጋ ዝመጹ ኮይኖም፡ በቶም ትሕዝቶታት ዝሰሓቡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ተኸታተልቲ ከኣ ኩሎም ሓደ ሕልሚ ኣለዎም፤ ንሱ’ውን ከመይ ጌርካ ቀልጢፍካ ትህብትም ዝብል’ዩ። ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘመልክቶ፡ ኣብ 2021 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ኣብ ሃገራት ዓረብ  ዝተመዝገበ ቁጽሪ ስራሕ ኣልቦ ሰባት ኣስታት 14.3 ሚልዮን ኮይኑ መብዛሕትኦም መንእሰያት‘ዮም። ሞባይል ስልክታት፡ ምዕቡል ካሜራታት ተገጢሙለን ናብ ዕዳጋ ኣብ ዝቐረባሉ ከምኡ ድማ ከም ቲክቶክ ዝኣመሰሉ መተግበሪታት፡ ቪድዮታት ኤዲት ምግባር ዝቐለለ ክኸውን ምግባረን ንብዙሓት ዝናን ሃብትን ዘህርፍ ኮይኑ’ሎ። ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝነብር ግብጻዊ ወዲ 30 ዓመት መሓመድ ብዕድመ መሓዛይ ኮይኑ፡ ካብቲ ኣብ ሃገራት ዓረብ ጋዜጠኛ እናሃለኹ ዝረኽቦ ዝነበርኩ መሃያ ዳርጋ ብ10 ዕጽፊ ዝዛይድ እዩ ዝረክብ ትብል ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣረቢክ ማግሃም ቃሴም። \"እንተደሊኻ ካብ ቲክቶክ ወርሓዊ 10 ሽሕ ዶላር ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤ እዚ ግን ኣብ ሰዓብትኻን ትሕዝቶኻን እዩ ዝምርኮስ\" ይብል ፍሉጥ ቲክቶከር እስማኤል ኤላብራስ። እቲ \"ኤልካል\" ብዓረብኛ \"ኣኮ\" ብዝብል ዝፍለጥ እስማኤል፡ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰዓብቲ ኣለዉዎ። እዚ ወዲ 50 ዓመት ሊባኖሳዊ ፅልዋ ፈጣሪ፡ ልክዕ ከም መሓመድ ካብ ቲክቶክ ገንዘብ ክረክብ እንከሎ፡ ብኻልእ ዝተፈለየ መንገዲ’ውን ተወሳኺ ኣታዊ ይረክብ’ዩ። ስራሕ ንዝደልዩ፣ ንጉዳይ ኢሚግሬሽንን ዕድል ስኮላርሺፕን ዝምልከቱ ቪድዮታት እውን ይሰርሕ ኣሎ። እስማኤል ቪድዮታቱ ብምርኣይ፡ ንዕኡ ብምርካብ ምኽሪ ካብ ዝደልዩ ተጠቀምቲ’ዩ ተወሳኺ ኣታዊ ዝረክብ። \"ተመኩሮኻ ብገንዘብ ሽጥ። እዚ ክልቴኻ እትዕወተሉ ጸወታ'ዩ\" ክብል ይዛረብ። ኩልግዜ ግን ከምኡ ይኸውን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ሃገራት ዓረብ ዘሎ ጉዕዞ ቲክቶክ ብዙሕ ግዜ ነቶም ጸለውቲ ዝብሃሉ ተጠቀምቲ ናብ ሃብትን ዝናን ዝመርሖም ኣይኮነን፤ ምኽንያቱ ንገሊኦም ናብ ቤት ማእሰርቲ ከቃልዖም እውን ይረኣይ እዩ። ሃኒን ሆሳምን ማዋዳ ኣልኣድሃምን ዝብሃላ ክልተ ግብጻውያን ደቂ ኣንስትዮ ፈጠርቲ ትሕዝቶ ቲክቶክ፡ ኣብ ግብጺ ብ \"ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት\" ንሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ዓመትን ማእሰርቲ ከምዝተፈረዳ ይዝከር። ክልቲኤን ግን ነቲ ክሲ ይነፅግኦ። ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብወገኖም፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተጽዕኖ ፈጠርቲ ንዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ዒላማ ብምግባር፡ መሰላት ብሕታውነትን ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነትን ዝግህስ ከምኡ ድማ ኣድልዎ ዝተላበሰ ተግባር ከምዝኾነ ብምግላፅ ንሰበስልጣን ግብጺ ይነቕፉ። ሺማ ዝተባህለት ጓል 19 ዓመት ሞሮካዊት ፅዕንቶ ፈጣሪት፡ ኣብ ቲክቶክ እትዝርግሖ ቀጥታዊ ቪድዮታት እኹል ገንዘብ ከምዘየምጽእ’ያ ትዛረብ። ክንደይ ከም እትረክብ ምግላጽ እኳ እንተዘይደለየት፡ ናይ ዩቱብ ቻነላ ካብ ቲክቶክ ኣካውንታ ንላዕሊ ገንዘብ ከምእትረኽበሉ ትገልፅ። ኣብ ቲክቶክ ክትፀንሕ ዝደለየትሉ ምኽንያት ከኣ ሰዓብታ ናብቶም ካልኦት እትጥቀመሎም ማሕበራዊ መራኸቢታታ ንምስሓብ ብዝብል ከምዝኾነ ተረድእ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ብዙሓት ሰዓብቲ ብዝረኸብካ መጠን ኢኻ ዝያዳ ገንዘብ ክትረክብ ትኽእል። ቲክቶክ ግን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰዓብቲ ክህልወካ ስለዘየገድድ ፍሉይ ይገብሮ። ካብ 50 ሽሕ ክሳብ 150 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለዎም ሰባት ‘ማይክሮ ኢንፍሌንሰርስ’ ማለት ንኡሳት ፀለውቲ ኣብ ዝብል ይምደቡ። ካብ ቲክቶክ ገንዘብ ክረኽቡ እንተኾይኖም ድማ ቪድዮታቶም ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 30 መዓልታት ብውሑዱ ብ100 ሽሕ ተጠቀምቲ ክረኣዩ ኣለዎም። ቲክቶክ ትሕዝቶታት ናብቶም ንሓደ ፍሉይ ኣካውንት ዝከታተሉ ጥራይ ዘይኮነስ ናብ ኩሎም ተጠቀምቲ ክበጽሕ ስለዝገብር፡ ናብ ብዙሓት ክትበፅሕ ሰፊሕ ዕድል’ዩ ዝህበካ። እስማኤልን መሓመድን ከም ዝበልዎ፡ ቲክቶክ ዝተፈላለዩ ንፕሮጀክትታቶም ንዘካይዱ ሰባት ዝኸውን ሓገዝ ገንዘብ ናይ ምትእኽኻብ ዕድላት ዝፈጥር ሓድሽ ኣንፈት ኮይኑ’ሎ። ሶርያዊት መንእሰይ ድምጻዊት ፊያ ዩናን፡ ሓንቲ ደርፊ ንምድላው ዝሕግዛ ኣስታት 25 ሽሕ ዶላር ካብ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብወፈያ ክትረክብ ኪኢላ ነይራ። ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ መጽናዕትታት ምብራቕን ኣፍሪቃን ተመራማሪ ዲጂታላዊ ቁጠባ ራሚ ኣሳፍ ግን፡ ቁጽሪ ናይቶም ካብ ቲክቶክ ገንዘብ ዝረኽቡ ሰባት ዝተጋነነ ኮይኑ ከምዝቐርብን ዝረኽብዎ መጠን ገንዘብ ኩሉ ግዜ ልክዕ ከም ዘይኮነን ይዛረብ። \"ሓደ ሚእታዊት ተጠቀምቲ ብዙሕ መኽሰብ ክረኽቡ ከለዉ፡ 99 ሚኢታዊት ተጠቀምቲ ግን ተኸታተልቲ ስለዘይብሎም ክንድኡ ዝኣክል ገንዘብ ኣይረኽቡን እዮም። በዚ ምኽንያት ድማ ኩባንያታት ንመወዓውዒ ክጥቀሙሎም ኣይመርፁን። ከምኡ'ውን ዝኾነ ወፈያ ይኹን ሳብስክራይብ ኣይረኽቡን። ገንዘብ ክረኽቡ ዝኽእሉ ህቡባት ተጠቀምቲ ጥራይ እዮም\" ይብል። ቲክቶክ ንውልቀ-መዘክራ (ዳያሪ) እትጥቀመሉ ሺማ 1.2 ሚልዮን ተኸታተልቲ እኳ እንተሃለዉዋ  እትረኽቦ ኣታዊ ግን ዘዕግብ ከምዘይኮነ ትዛረብ። ኣብ ሃገራት ዓረብ ዘለዉ ብዝሒ ተጠቀምቲ ቲክቶክ ዝምልከት ጭቡጥ መረዳእታ የለን። እንተኾነ ግን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከብ ወሃቢ ቃል እቲ ኩባንያ ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 2 ቢልዮን ተጠቀምቲ ነቲ መተግበሪ ከምዝፀዓንዎ ገሊጹ’ሎ። ወነንቲ ቲክቶክ ‘ባይትዳንስ’ (ByteDance) ከምዝብልዎ 41% ካብ ተጠቀምቲ እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ዕድሚኦም ካብ 16-24 ዓመት እዮም። መርበብ ሓበሬታ ስታቲስታ ከምዘመልክቶ፡ ቲክቶክ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2020 ጥራሕ፡ ኣስታት 50.4 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ረኺቡ ነይሩ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cv26zn4dz49o"} {"headline":"ፌስቡክ፡ ምስ ቁጽሪ ‘ፎለወርስ’ ብዝተሓሓዝ ዘጋጠሞ እንታይ’ዩ?","content":"ወናኒ ዓበይቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዓለምና ዝኾነ ሜታ፡ ኣብ ፌስቡክ፡ መንቀሊኡ ብንፁር ዘይተፈለጠ ምንቁልቋል ቁጽሪ ሰዓብቲ [‘ፎለወርስ’] ኣጋጢምዎ ይርከብ። እቲ ዓለማዊ ኩባንያ ነቲ ዘጋጠመ ፀገም ንምእራም ይሰርሕ ከምዘሎ ንቢቢሲ ሓቢሩ’ሎ። ብርክት ዝበሉ ተጠቀምቲ ፌስቡክ፡ ቁጽሪ ሰዓብቶም ሃንደበት ምንቁልቋሉ ስዒቡ እቲ ክስተት ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ኣዘራራቢ ብምዃኑ’ዩ ሜታ ነዚ ዝገለጸ። ኢትዮጵያውያን ሓዊሱ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ተጠቀምቲ ፌስቡክ፡ ንፁር ብዘይኮነ ምኽንያት ቁፅሪ ሰዓብቶም ከምዝነከየ ኣብ ምግላፅ ይርከቡ። ሓባራዊ መስራትን ዋና ኣካያዲ ስራሕን ሜታ ዝኾነ ማርክ ዙከርበርግ ዝርከቦም ብሚልዮናት ዝግመቱ ሰዓብቲ ዘለዎም ተጠቀምቲ ፌስቡክ፡ ቁፅሪ ሰዓብቶም ካብ ሞንጎ ዝተነከዮም ይጥቀሱ። እቲ ኩባንያ ኣብ ቁጽሪ ሰዓብቲ ናይቶም ንማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ዝጥቀሙ ሰባት ለውጢ ምህላዉ ከምዝፈልጥ ንቢቢሲ ዘረጋገፀ ኮይኑ፡ ነቲ ጸገም መፍትሒ ንምርካብ ይሰርሕ ኣለኹ ኢሉ። ሜታ፡ ጠንቂ ምንቁልቋል ቁጽሪ ሰዓብቲ እንታይ ምዃኑ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ካብ ምሃብ ተዓቂቡ’ሎ። \"እቲ ኩነታት ናብ ንቡር ንምምላስ ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ንሰርሕ ኣለና\" ዝበለ ሜታ፡ ንተጠቀምቲ ይቕሬታ ​​ሓቲቱ። ኣብ ቁጽሪ ሰዓብቶም ምንቁልቋል ካብ ሞንጎ ዘጋጠሞም ኢትዮጵያውያን ተጠቀምቲ ፌስቡክ ድማ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት፣ ሰበስልጣን፣ ሰብ ሞያ ሙዚቃን ስነ-ጽሑፍን ይርከብዎም። ኣብ ፌስቡክ ልዕሊ 2 ሚልዮን ሰዓብቲ ዝነበሮ ፍሉጥ ፖለቲከኛ ጃዋር መሓመድ ሓደ ካብ ሞንጎ’ቶም ምንካይ ‘ፎለወርስ’ ዘጋጠሞም’ዩ። ኣብ ፌስቡክ ንዘጋጠመ ፀገም ስዒቡ ቁፅሪ ሰዓብቱ ትሕቲ 10 ሽሕ ወሪዱ ኣሎ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/czqdpl6pp46o"} {"headline":"ወራር ዩክረይን፡ ሩስያ ኣብ ኣጠቓቕማ ፌስቡክ እገዳ ኣንቢራ","content":"ሩስያ ኣብ ዩክረይን ወራር ትፍጽመሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ፌስቡክ ኣብ ልዕሊ እቶም ብሞስኮ ዝድገፉ ናይ ዜና ማእከናት ብዝሓዞ መርገጺ ምኽንያት ኣገልግሎት እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ መላእ ሩስያ ድሩት ኮይኑ ምህላው ተፈሊጡ። ተቖጻጻሪ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ሩስያ ሮስኮምናድዞር፡ እቲ መድረኽ ማሕበራዊ ሚድያ “ምሚያ ዘካይድን መሰልን ናጽነትን ሩስያውያን ዝግህስ’ዩ” ኢሉ። ፌስቡክ ብወገኑ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ሩስያ ዝመሓደሩ ማዕኸናት ዜና ዘቃልሕዎም ሓበሬታታት ትሕዝትኦም ምፍታሽን ምጽራይን ከምዘየቋርጾ ኣፍሊጡ። እዚ ውሳነ ዝተሰምዐ ሩስያ ንዩክረይን ምስወረረት ድሕሪ ሓደ መዓልቲ’ዩ። እንተኾነ እቲ ብመንግስቲ ሩስያ ዝተነበረ እገዳ ክሳዕ ክንደይ ከምዝኾነን ብወናኒ ፌስቡክ ዝመሓደሩ ከም እኒ ዋትስኣፕ፣ ሜሰንጀርን ኢንስታግራምን ዝኣመሰሉ ካልኦት ማሕበራዊ መራኸብቲ’ኸ ይትንክፎም ዶ ይኸውን? ዝብል ንጹር ኣይኮነን። ተቖጻጻሪ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ሩስያ፡ ፌስቡክ ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ብመንግስቲ ዝመሓደሩ ትካላት ሚድያ ዘንበሮ እገዳ ንኸልዕሎ ሓቲቱ። እንተኾነ ሜታ ንሕቶ መንግስቲ “ዕሽሽ” ከምዝበሎ ሓቢሩ። ምክትል ፕረዚደንት ዓለምለኻዊ ጉዳያት ሜታ፡ ኒክ ክሌግ ብግዲኡ “ሰበ ስልጣናት ሩስያ ብማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ዝፍነዉ ትሕዝቶታት ሻራዊ ብዘይኮነ መገዲ እንካይዶ ስራሕቲ ምርመራ ደው ክነብሎ ኣዚዞሙና ንሕና ግን ቅቡል ኣይገበርናዮን” ኢሉ። ሩስያውያን ማሕበራዊ መራኸብታት ሜታ ምጥቃሞም ክቕጽልዎ ድልየት ሜታ ከምዝኾነ ግን እቲ ምክትል ፕረዚደንት ተዛሪቡ። ዜጋታት ሩስያ ሓሳባቶም ንምግላጽን ናብ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ዝወስዶም ውዳበታት ንምፍጣርን መተግበሪታት ሜታ ይጥቀሙ ከምዘለዉ ዝገለጸ ኒክ፡ ሜታ እዞም ዜጋታት ሓሳባቶም ምግላጾም ክቕጽልዎ ከምዝደሊ ኣፍሊጡ። ኣብ ሩስያ ዝርከቡ መራኸብቲ ሓፋሽ መንግስቲ ነቲ ብሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝተገበረ ወራር “ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት” ዝብል ስያመ ሂቦም ሰራዊት ሩስያ ናብ ዩክረይን ምጽግዑ እወንታዊ ምስሊ ኣትሒዞሞ እዮም። ሜታ ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ ጀሚሩ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝተወልዐ ኵናት ኣመልኪቶም ዝወጽኡ ሓበሬታታት ንምቁጽጻር ዘኽእሎ ፍሉይ ጉጅለ ዕዮ ከምዘዳለወ ሓቢሩ። ሩስያ ምስ ፌስቡክ ዝወዳደሩ ቪኬን ኦድኖክላስኒኪን ዝተብሃሉ ማሕበራዊ መራኸብታት’ኳ እንተሃልውዋ ኣብታ ሃገር ሜታ ዘመሓድሮም ፌስቡክን ኢንስታግራምን ብዙሕ ተጠቃሚ ኣለዎም። ሴናተር ኣመሪካ ማርክ ዋርነር ትማሊ ዓርቢ፡ ዩቱብን ካልኦት ማሕበራዊ መራኸብታትን ኣብ ዝህብዎም ኣጎልግሎታት ዝጽሓፉ ነገራት ንረብሓ ምርጋጽ ሰብኣዊ መሰል ደቂ ሰባት ይውዕሉ ከምዘየለዉ ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ከምዘለዎም ጠቒሱ። ሜታ ግጉያት ሓበሬታ ንምጽራይ ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ ዝተፈላለዩ ጸቕጥታት ክግበረሉ ጸኒሑ’ሎ። ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ምስ ሮይተርስ ሓዊስካ ምስ ካልኦት ካብቲ ትካል ወጻእ ዝኾኑ መርመርቲ ሓበሬታ ብሓባር ይሰርሕ ከምዘሎ ይፍለጥ። መንግስቲ ሩስያ ኣብ ጉዳይ ወራር ዩክረይን ብዝምልከት “ስኑዕ ሓበሬታ” ኢላ ኣብ ልዕሊ ዝሰየመቶም ጸብጻባት ደው ከብሉ ብምፍርራሕ ኣብ ልዕሊ መራኸቢ ብዙሃን ዘካይዶ ጸቕጢ ወሲኹ። ትዊትር ብወገኑ ዘጣየሾም ጉጅለታት ድሕነት “መጋገይትን ስኑዓትን ዝኾኑ ሓበሬታታት ንምጉላህ ዝግበሩ ዘለዉ ፈተነታት ይከላኸሉ ኣለዉ” ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-60537664"} {"headline":"ቅልውላው ትግራይ፡ ንኢትዮጵያ ዝምልከቱ ልዕሊ 92 ሽሕ ትሕዝቶታት ፌስቡክን ኢንስታግራምን ተኣልዮም","content":"ነቲ ዝዓበየ ማሕበራዊ ሚድያ ፌስቡክን ወናኒ ዝኾነ ሜታ፡ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንኢትዮጵያ ዝጥምቱ ልዕሊ 92 ሽሕ ኣብ ፌስቡክን ኢንስተግራምን ዝተወዝዑ ትሕዝቶታት ስጉምቲ ከምዝኣለየ ኣፍሊጡ። እዚኦም፡ መምርሒ ናይ ጽልኣት ዘረባ ዝጥሓሱ ከም ዝኾኑን 98 ሚኢታዊት ብኻልኦት ሪፖርት ከይተገብሩ ከም ዝተበጽሓሎምን ሓቢሩ። ኩባኒያ ሜታ \"ኣብታ ሃገር፡ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝነበሩ ከበድቲ ግጭታትን ስግኣት ድሕነት ሰባትን ንምሕላው ዘኽእል ሓፈሻዊ ስትራቴጂ ክንትግብር ጸኒሕና ኢና\" ይብል። በዚ መሰረት ቅድሚ ክልተ ዓመት ኢትዮጵያ ናብ ምድብ \"ንጎንጽን ዓመጽን ዝለዓለ ተቓላዕቲ'የን ዝተባህላ ሃገራት ተሰጋጊራ እያ\" ኢሉ። ኩባኒያ ሜታ፡ ፖሊሲታት እቲ ትካል ዘየኽብሩ ትሕዝቶታት ብምእላይ፣ መሰል ሓሳብ ብናጽነት ምግላጽ ብምድጋፍን ሰባት ኣብ ኦንላይን ኾኑ ካብኡ ወጻእ ድሕነቶም ንክሕሎን ትኹረት ገይሩ ከም ዝሰርሐ ሓቢሩ። ኣብታ ሃገር ብዙሓት ቋንቋታት ስለ ዝዝረቡ ግን ብኹለ መዳይ ኣድላዪ ኢሉ ዝሓሰቦ ብሙሉኡ ንክዕወት ከም ዘጸግሞ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ግን ሪፖርት ዝቐርበሎምን ዘፈጽመሎምን ሜላታት ከም ዝተመሓየሹ ኣፍሊጡ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ማእከል እቲ ጎንጺ ዝኾኑን ኣርባዕተ ብቀንዲ ቋንቋታት ትግርኛ፣ ኣምሓርኛ፣ ኣፋን ኦሮሞን ሶማልን ዝወጽኡ ትሕዝቶታት ከም ዝገምገሞም ገሊጹ። ኢትዮጵያውያን፡ ግህሰታት ዓለምለኻውን ዘቤታውን ሰብአዊ መሰላትን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ክርእዩ ከለው ብቐሊሉ ሪፖርት ዝገብርሉ ሜላ ብምምችቻው እቶም ዝፍጸሙ ግህሰታት ክንምርምሮም ንኽእል ኢና ኢሉ። ብቋንቋታት ኣምሓርኛ ኮነ ኣፋን ኦሮሞ ዝቃልሑ ናይ ጽልኣት ዘረባታት ሪፖረት ከይተገብሩ ዝፈልጠሉ ቴክኖሎጂ ከም ዘሎ'ውን ገሊጹ። በዚ ምኽንያት ካብ ወርሒ ግንቦት ክሳብ ጥቅምቲ 2021 ኣብ ዘሎ ግዜ ፖሊሲ እቲ ኩባኒያ ዝጻረሩ ናይ ጽልኣት ዘረባታት ትሕዝቶ ዘለዎም ንኢትዮጵያ ዝምልከቱ ልዕሊ 92 ሽሕ ትሕዝቶታት ፌስቡክን ኢንስታግራምን ስጉምቲ ከም ዝተወስዶም ሓቢሩ። ብግንቦት 2021፡ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ዝተጽሓፉ ንተቓወምቲ ፖለቲከኛታት ወይ ጉጅለታት ዘነኣእሱ ናይ ሓሶት ገጻት ከም ዝኣገደ ገሊጹ። \"ብድሕሪ እዞም ጽሑፋት ዘለው ሰባት ዝተዋደደን ትኽክለኛ ዘይኮነን ናይ መጥቀሚ ሽም ተጠቒሞም ኣብ ምንታይ ከም ዝነብሩ? እንታይ ከም ዝሰርሑ? ከጋግዩ ጽዒሮም እዮም\" ኢሉ። ብመጋቢት 2021 ብተመሳሳሊ ኣብ ግብጺ ኾይኖም ትኹረቶም ንኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ቱርክን ዘነጻጸሩ ገጻት ከም ዝዓጸወ ይዝከር። ኣብ ቀረባ'ውን ፌስቡክ፡ 'ጎነጽ ዘለዓዕል' ዝበሎ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዝተጠቀዐ ጽሑፍ ከም ዝኣለዮ ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚስጢራት ፌስቡክ ዘቃልዐት ሰራሕተኛ እቲ ኩባኒያ ዝነበረት ፍራንሲስ ሃገን፡ ፌስቡክ ኣብ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ዘለዓዕሉ 'መልእኽታት' ጠጠው ከም ዘየበለ ነቒፋ ተዛሪባ። ንኮሚቴ ሓገግቲ ኣመሪካ ቃላ ዝሃበት ፍራንሲስ ኣብ ሞንጎ ኣብ ኢትዮጵያን ሚያንማርን ብዝተልዓሉ ጎንጺታት ብፌስቡክ ዝተወዝዑ ሓበሬታታትን ምትእስሳር ተረኺቡ'ዩ ኢላ። \"ስጉምቲ ዘይወስድ እንተኾይኑ ሕዚ እንርእዮም ዘለና ጸግዒ ዝሓዙ ተግባራት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከይበጽሑ ይሰግእ። ኣብ ኢትዮጵያን ሚያንማርን እንርእዮም ዘለና ነገራት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ዝበጽሑን መጀመሪ ዘስግእ ምዕራፍ ታሪኽን'ዮም\" ብምባል ገሊጻ። ፌስቡክ መራሕቲ ጉጅለታት ምልክን ሽበራን ኣብ ጥቕሚ የውዕሉዎ ከም ዘለው ዝገለጸት ፍራንሲስ፡ \"ከምዚኦም ዝበሉ መልእኽታት ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ብብሄር ዝተኸፋፈላ ሃገራት ጎንጺ የልዕሉ ኣለው\" ክትብል ኣብሪሃ። ወሃቢ ቃል ፌስቡክ ኣንዲ ስቶን ግን ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ መልሲ ፍራንሲስ ኣብቲ ትካል ንኽልተ ዓመታት ከም ዝሰርሐት ብምግላጽ ብቐጥታ ናይቲ ኩባኒያ ጸብጻባት እትረኽበሉ መገዲ ኣይነበራን ምባሉ ይዝከር።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59230432"} {"headline":"ምንካይ ሰራሕተኛታት ፌስቡክን ትዊተርን ብመንፅር ኢትዮጵያ እንታይ ትርጕም ይህልዎ?","content":"ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዓለም ኣዝዩ ገዚፍ ቅልውላው ዝተራእየሉ እዩ ነይሩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኰነን። ቍጽሪ ሓደ ቢልዮነር ዓለም ኤሎን መስክ ንትዊተር ድሕሪ ምዕዳጉ፡ ዝወሰዶ ቀዳማይ ስጕምቱ፡ ነቲ ኣብ መዓልቲ 4 ሚልዮን ዶላር ወጻኢታት ይገብረለይ ኣሎ ዝበሎ ቍጽሪ ሰራሕተኛ ምንካይ እዩ ነይሩ። ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት ክልተ ቢልዮን መዓልታዊ ንጡፋት ተጠቀምቲ ንዘለዎ ፌስቡክ ዝውንን ኩባንያ ሜታ’ውን ሰራሕተኛታት ናይ ምንካይ መደብ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ’ሎ። ፌስቡክ ኣስታት 11 ሽሕ ሰራሕተኛታት ንምንካይ መደብ ከምዘለዎ መስራትን ዋና ኣካያዲ ስራሕን እቲ ኩባንያ ማርክ ዙከርበርግ ዕላዊ ከም ዝገበረ ይፍለጥ። እተን ኩባንያታት ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ንዓለማዊ ቅልውላው ቍጠባ ከም ምኽንያት ምንካይ ቍጽሪ ሰራሕተኛታተን ይጠቕሳ። ማሽናት በብእዋኑ ነቲ ደቂ ሰባት ዝሰርሕዎ ስራሕ ተኪኦም ክሰርሑ ይረኣዩ ምህላዎ ርዱእ’ዩ። ብፍላይ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ፡ ንሓይሊ ሰበን ብ’ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ’ (ሰብሰርሖ ብልሒ) ክትክኣኦ ምጅማረን፡ ነቲ ዝርአ ዘሎ ምንካይ ዓቕሚ ሰብ ብዙሓት ከም ምኽንያት ይጠቕስዎ። ንምዃኑ ሜታን ትዊተርን ዝገብርዎም ዘለዉ ምትዕርራያት፡ ብመንጽር ጐንጺ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያውያን ተጠቀምቲ እቶም ማሕበራዊ መራኸቢታት እንታይ ጽልዋ ከስዕብ ይኽእል? ክንብል ሕቶ ኣልዒልና። ፌስቡክ ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ዝበዝሐ ተጠቃሚ ዘለዎ ማሕበራዊ መራኸቢ ኰይኑ፡ ኣብታ ሃገር ንዝፍጠሩ ግጭታት ብምጕህሃር ብተደጋጋሚ ይንቀፍ። ሰራሕተኛ ፌስቡክ ነበር ፍራንሲስ ሃውገን ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ቅድሚ ኮንግረስ ኣሜሪካ ብምቕራብ፡ እቲ ትካል ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ሚያንማርን ጐንፅታት ዘለዓዕሉን ስኑዓትን መልእኽትታት ክገትእ ከምዘይከኣለ መስኪራ ነይራ። ኣብ ማእከል ደማዊ ግጭታትን ኲናትን ኣብ እትርከብ ኢትዮጵያ፡ ዝያዳ ጐንፅታት ዘጓሃህር ትሕዝቶ ብግቡእ ክቈጻጸር ከምዘይከኣለ ብተደጋጋሚ ዝንቀፍ ወናኒ ፌስቡክ ሜታ፡ እቲ ሓሲብዎ ዘሎ ንምካይ ሰራሕተኛታት፡ ኣብ መስርሕ ምቍጽጻር ትሕዝቶ ጽልዋ ከሕድር'ዩ ዝብል ስክፍታታት ኣንቂሉ’ሎ። ኣማኻሪትን ተመራማሪትን ድሕነት ኢንተርነት ከምኡ ድማ ዲጂታላዊ መሰላት ዝዀነት ሰላማዊት ተዘራ፡ ትዊተር ክሳብ ሎሚ ብዘካየዶ ምንካይ ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ክፍሊ ሰብኣዊ መሰላት ንዝርከቡ ሰራሕተኛታት ብስፍሓት ከምዝፀለዎም ትዛረብ። ስጕምትታት ፌስቡክ እውን ካብዚ ዝተፈልየ ክኸውን እዩ ዝብል እምነት የብላን። “ዓበይቲ ኩባንያታት ቀንዲ ዕላማአን መኽሰብን ምዕባይ ስለዝዀነ ተመሳሳሊ መስርሕ’ዩ ዘለዎም። ስለዚ እቲ ሕጂ ካብ ሜታ ዝሰማዕናዮ ጉዳይ [ዜና ምንካይ ሰራሕተኛታት] ብርግጸኛነት ንኽፍሊ ምክትታል ትሕዝቶ ዝፀልዎ እዩ። ስክፍታይ ኣብቲ ትሑት እቶት ዘለዎ ግን ከኣ ሰፊሕ ዝዀነ ደቡባዊ ክፋል ዓለም ንዘሎ ጸገም ብዝያዳ ከጋድዶ እዩ” ትብል። እዞም ዓበይቲ ኩባንያታት ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ምንካይ ሰራሕተኛታት ቅድሚ ምጅማር፡ ነቲ ዘካይድዎ ምክትታል ትሕዝቶታት ኣብ ክንዲ ብሰብ ብ’ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ’ ክገብራኦ ይመርጻ ብዝብል ክንቀፋ ጸኒሐን’የን። ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብቛንቋታት ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝዝርጋሕ ጽሑፋት እቲ ስርዓተ 'ሰብሰርሖ ብልሒ' ንውሑዳት ቃላት ብጅምላ ብምርኣይ ኣብ ዝህቦ ውሳነ ብዙሕ ሕቶታት ይለዓል። ብኣንጻሩ ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ድንጋገ ዘይጠሓሱ ሰባት ስጕጉምቲ ብምውሳድ፡ ኣካታዕቲ ንዝዀኑ ትሕዝቶታት ድማ ዓውዳዊ ትርጕሞም ካብ ዘይምርዳእ ስጕምቲ ብዘይምውሳዱ ካብ ብዙሓት ነቐፌታታት ይቐርበሉ። ክፍሊ ምክትታል ትሕዝቶ ትዊተር፡ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ምስ ኢንተርነትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ብዝተኣሳሰር ዝገብሮ ምክትታል ትሕዝቶ ጸገም ከምዘለዎ በዓልቲ ሞያ እቲ ዓውዲ ሰላማዊት ትዛረብ። ትዊተር ናይ ጽልእን ንኻልኦት ዘነኣእሱ ንጥፈታትን ንምልላይ መዓልታት ከምዝወስደሉ እትገልፅ ሰላማዊት፣ ሓደ ትሕዝቶ ከኸትሎ ዝኽእል ጕድኣት ምስ በፅሐ ነቲ ጉዳይ ክምርምሮ ምጅማሩ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ተረድእ። ስለዚ፡ እዞም ዓበይቲ ትካላት ቴክኖሎጂ፡ ነቲ ተኸታታሊ ትሕዝቶን ኣብ ክፍሊ ሰብኣዊ መሰላት ዝሰርሕን ሓይሊ ሰበን እንተ ኣጕዲለን፡ እዚ ጉዳይ ኣብ ከም በዓል ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ሃገራት ብዙሕ ጸገማት ከምጽኣለን እዩ ዝብል ስግኣት ወሲኹ’ሎ። \"ኣብተን ኣብ ሚድያ ዘሎ ግንዛበ ትሑት ዝዀነለን ሃገራት፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብፍላይ ኣብ እዋን ግጭት ልዑል ተራ ኣለዎ። ስለዚ ምንካይ ሰራሕተኛታት ምቍጽጻር ትሕዝቶ ብፍላይ ካብ ኣሜሪካን ኣውሮጳን ወጻኢ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ርኡይ ፀገማት ሒዙ እዩ ዝመጽእ። \"ስለዚ፡ ሜታ [ፌስቡክ] ንትሕዝቶ ቋንቋታት ኢትዮጵያ ዝከታተሉ ክኢላታት ክቕንስ እዩ ኢለ ንምእማን ክፅገም እየ\" ትብል ሰላማዊት። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተጣበቕቲ ዲጂታዊ መሰላት ብፍላይ ፌስቡክ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎ ስርዓት ክትትል ትሕዝቶ ብዝምልከት ተሓታቲ ክገብርዎ ጸኒሖም እዮም። እንተዀነ፡ ሜታ መኽሰበይ እናነከየ ይኸይድ ኣሎ ኢሉ እንተኣሚኑ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ክትትል ትሕዝቶታት ከይተንከፎ ከምዘይተርፍ እታ በዓልቲ ሞያ ግምታ ተቐምጥ። ፌስቡክ ነዚ ኣብ ግምት ከየእተወ ነቲ ምንካይ ሰራሕተኛታት እንተፈጺምዎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ጽልኢ ዘረባ፡ ስኑዕ ሓበሬታን ሓደገኛ ትሕዝቶን ብዝያዳ ክጓሃሃር ኣብ ምግባር ዝዓበየ ግደ ከም ዝህልዎ ድማ ተጠንቅቕ። እዞም ኩባንያታት ብቛንቋታት ኢትዮጵያ ኣብ ዝፍነዉ ትሕዝቶ ዝግበር ምክትታል ዘካይዱ ሰራሕተኛታት እንተነክዮም፡ ነቲ ዋላ ኣብዚ እዋን ኣብ ኣዝዩ ትሑት ደረጃ ዘሎ ዓቕሞም ብምድኻም፡ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ጸቕጢ ምፍጣር ጥራይ ዘይኮነ፡ ተወሳኺ ሳዕቤናት ከምዝህልዎ ኣማኻሪትን ተመራማሪትን ድሕነት ኢንተርነት ከምኡ ድማ ዲጂታላዊ መሰላት ዝዀነት ሰላማዊት ትገልፅ። ዋላ'ኳ ሓፈሻዊ ውጽኢት ናይቲ ዝወስድዎ ስጕምቲ ምግማት ዘይከኣል እንተዀነ፡ ብፍላይ መንግስታት ንስልጣኖም ዝፈታተን ብድሆ እንተ ኣጋጢምዎም፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምሉእ ብምሉእ ክሳብ ምዕጋት ክበጽሑ ከምዝኽእሉ እያ ትዛረብ። መንግስታት ዩጋንዳን ኢትዮጵያን፡ ማሕበራዊ ሚድያ ናይ ምእጋድ ታሪኽ ዝጸንሐን ሃገራት’የን። ናይጀርያ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ንዝጠቅዖ ጽሑፍ ኣልዩ፣ ምስ ተገንጸልቲ ወጊኑን፣ ኣካታዒ ትሕዝቶ ዕሽሽ ኢሉ፣ ብዝብሉ ክስታት ንኣዋርሕ ነቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ትዊተር ኣጊዳቶ ምንባራ ይዝከር። እቲ ስራሕ ዳግም ንምጅማርን ኣብታ ሃገር ቤት ጽሕፈት ክኽፈትን ሕቶ ኣቕሪቡ ነይሩ። መንግስታት ንማሕበራዊ መራኸቢታት ምሉእ ብምሉእ ናይ ምዕጻው ተኽእሎኦም ትሑት'ኳ እንተዀነ ብፍላይ ኣብዞም ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርጋሕ ትሕዝቶ፡ ኣብ ባይታ ከኸትልዎ ንዝኽእል ሳዕቤን ብምስጋእ ስጕምቲ ክወስዱ ዘይሕሰብ እዩ ምባል ዝከኣል ኣይኰነን ትብል ሰላማዊት። ንጥፈታት ክትትል ትሕዝቶ፡ እቶም ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘቐምጥዎም ሕግታት ተጠቀምቲ ዝተመርኮሰ እዩ። እቶም ነዞም ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝውንኑ ኩባንያታት ብፍላይ ኣብ እዋን መረጻ፡ ንጸረ-ዲሞክራስያዊ ዕላማታት ከይውዕሉ ብዝብል ሓያሎ ሚልዮናት ወጻኢ ብምግባር’ዮም ዝሰርሑ። ፌስቡክ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ 6ይ ሃገራዊ መረጻ፡ ጎንጺ ዘበግሱን ጸረ-ዲሞክራሲ ትሕዝቶታትን ንምቍጽጻር ዘካየዶ ጻዕሪ ዝዝከር እዩ። ስለዚ ንሰራሕተኛታት ሰብኣዊ መሰላትን ትሕዝቶ ምክትታልን ካብ ስራሕ ምስጓጉ ነቲ ንሓያሎ ዓመታት ዝተራእየ ምዕባለ ከምዘዳኽም እታ ተመራማሪት ትዛረብ። እንተዀነ ነቲ ኣብዚ እዋን ዘሎ መረዳእታ ጥራይ መሰረት ብምግባር፡ ሓፈሻዊ ውጽኢት ንምግማት ኣጸጋሚ ምዃኑ ወሲኻ ትሕብር። ኣባላት ሲቪል ማሕበራት ይዅኑ ተጣበቕቲ ዲጂታዊ መሰላት፡ ነቲ ፌስቡክ ዘካይዶ ምንካይ ሰራሕተኛታት ብዙሕ ኣቓልቦ ዝሃብዎ ኣይመስሉን። ይዅን እምበር ኣብቲ ዓውዲ ሰፊሕ ኣፍልጦ ዘለዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ናይ ዓመታት ልምዲ ዘለዋን ሳምራዊት፡ እቲ ምንካይ ዓቕሚ ሰብ ብፍላይ ኣብ ምክትታል ትሕዝቶ ቋንቋታት ኢትዮጵያ ዘስዕቦ ጸቕጢ ኣብ ግምት ከእትውዎ ከምዝግባእ ትምዕድ። ጐንጺ ዘስዕቡ ትሕዝቶታት ኣብ ውሽጢ ዝተወሰነ ግዚ ካብ ማሕበራዊ ሚድያ እንተዘይኣልዮም፡ ተሓተትቲ ዝዀኑሉ ስርዓት ንምምዕባል ሲቪክ ማሕበራትን መንግስታትን ብሓባር ክሰርሑ ይግባእ ድማ ትብል። ፌስቡክ ኣብ ምክትታል ትሕዝቶ ዝሓሸ ርሕቀት ከምዝተጓዕዘ እትገልጽ እታ በዓልቲ ሞያ፡ ኣብዚ እዋን ዝያዳ ሓደገኛ ዝዀኑ ከም ቴሌግራም ዝኣመሰሉ ሜላታት ቆላሕታ ክወሃቦም ከምዝግባእ ኣተሓሳሲባ። ይዅን እምበር እቲ ቀንዲን ነባሪን መፍትሒ፡ ናይ ባህሪ ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢ ሰፊሕ ግንዛበ ምፍጣር ከምዝዀነ ትኣምን። እዚ ድማ ተግባራት ምርግጋጽ ሓበሬታ፣ ናይ ጽልእን ስብእና ዘነኣእስን ቃላት ምልላይ፣ ከምኡ’ውን ዜጋታት ንልክዕነት ሓደ ዜና ናይ ምዕቃን ዓቕሚ ከዕብዮ ምምሃር የጠቓልል።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/c3gpl20q9deo"} {"headline":"ማሕበራዊ ሚድያ፡ ፌስቡክ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ 9 ቢልዮን ዶላር ከሲቡ ተባሂሉ","content":"ልሒኾም ካብ ዝወጽኡ ዓለምለኻዊ ሰነዳት ብዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ንኣደዳ ነቔፌታ ተቓሊዑ ዘሎ ፌስቤክ ኣብ ሳልሳይ ርብዒ ዓመት ናይ 2021 ልዕሊ ትጽቢት መኽሰብ ከምዝገሓጠ ኣረጋጊጾም። እዚ ዓርሞሽሽ ትካል ማሕበራዊ ሚድያ፡ ካብ ወርሒ ሓምለ ክሳብ መስከረም ኣብ ዝነበረ ሰለስተ ኣዋርሕ 9 ቢልዮን ዶላር ምርካቡ ክረጋገጽ እንከሎ፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ናይ ዝሓለፈ ዓመት 7.8 ቢልዮን ዶላር ጥራይ'ዩ ረኺቡ ነይሩ። እንተኾነ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ህዝቢ ዝቐረበት ኣፕል ኣይኦኤስ 14 ኣብ ውሽጢ መተግበሪታቱ ብዝገበሮ ምምሕያሻት፡ ፌስ ቡክ ናብ ፍሉያት ዓማዊሉ መወዓዋዒታት ከይገብር ዕንቅፋት ኮይንዎ እዩ። ፌስ ቡክ ክሳብ ክንድዚ መኽሰብ ክግሕጥ ዝኸኣለ፡ ሓንቲ ካብ ልዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ትካል ዝነበረት ብዛዕባ 'ግዕዙይ' ኣሰራርሓ እቲ ትካል ናብ ሚድያታት ቀሪባ ምስ ተዛረብት፡ ከቢድ ነቐፌታ ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን እዩ። እታ ፍራንሲስ ሃውገን ዝተብሃል ኣባል ፌስቡክ ዝነበረት ንህዝቢ ዘቃልዓቶ ሰነድ፡ ፌስቡክ ልዕሊ ድሕነት ዓማዊሉ ውልቃዊ መኽሰባቱ ከምዘገድሶ ዝገልጽ እዩ። ብዙሓት ጸብጻባት፡ ፌስቡክ ካብ ኣመሪካ ወጻኢ፡ ጽልኢ ዝዅስኩሱ ዘረባታትን፡ ወሲባዊ ንግዲ ዘበረታትዑ ትሕዝቶን ዘለዎም ነገራት ኣብ ገጻቱ ክቆጻጸሮም ከምዘይክኣለ እዮም ዘርድኡ። ትማሊ፡ መስራትን ላዕለዋይ ኣካያድን ፌስቡክ ማርክ ዙከርበርግ፡ ምስ ኣውፈርቲ ኣብ ዝገበሮ ምይይጥ \"እዞም ንርእዮም ዘለና ሰሊኾም ወጺኦም ዝብሃሉ ዘለዉ ሰነዳት ኮነ ኢልካ ንትካልና ንምዕናው ናይ ሓሶት ምስሊ ከምዝህልዎን ንምግባር ተዓሊሞም ዝግበሩ ዘለዉ'ዮም\" ኢሉ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59047119"} {"headline":"ቴክኖሎጂ፡ ፌስቡክ ስሙ ናብ ‘ሜታ’ ቀይሩ","content":"እቲ ዝዓበየ ማሕበራዊ ሚድያ ፌስቡክ ስሙ ናብ ሜታ ከምዝቐየረ ብወግዒ ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ጎኒ ጎኒ ማሕበራዊ ሚድያ ናብ 'ቨርችዋል ሪያሊቲ' ን ካልኦት ጽላታት ቴክኖሎጅን ይኣቱ ከምዘሎ’ውን ገሊፁ። ናይ ፌስቡክ ናይ ስም ለውጢ፡ ኣብቲ ትካል ዘሎ ለውጢ ዘርእይ እዩ ተባሂሉ። እዚ ለውጢ ስም ካብ ምቕያር ብዝዘለለ፡ ኣብቲ ትካል እምበር ኣብ ዝህቦ ኣገልግሎት ፌስቡክ፣ ኢንስታግራምን ዋትሳፕን ኣይተለወጠን። ቅድም ክብል ሰራሕተኛ ፌስቡክ ዝነበረት ሚስጥራዊ ሰነዳት እቲ ትካል ምቅላዕ ስዒቡ ስም ፌስቡክ ብኣሉታ እዩ ዝልዓል ዘሎ። ሰራሕተኛ ፌስቡክ ዝነበረት ፍራንሲስ ሃውገን፡ “እቲ ትካል ልዕሊ ድሕነት ዓማዊሉ ጥቕሙ እዩ ዘቐድም” ብምባል ብመርትዖ ንፌስቡክ ኮኒና እያ። እቲ ትካል፡ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ሃገራት ናይ ፅልኢ ዘረባ፣ ስኑዕ ሓበሬታን ጎንፂ ዘለዓዕሉ መልእኽትታን ከምዘይገትአ ምግላፃ ይዝከር። ፌስቡክ፡ ኣብ ኣሜሪካ ከምኡ’ውን ብእንግሊዘኛ ካብ ዝፀሓፉ ወፃኢ ናይ ፅልኢ ዘረባታት ክገትእ ብዘይምኽኣሉ ይኹነን። ኢንስታግራም’ውን ጥዕና ኣእምሮ ህጻናት ይጸሉ ከምዘሎ ልሒኾም ዝወፅኡ ሰነዳት ተረኺቦም’ዮም። ፌስቡክ ግና፡ እቶም ልሒኾም ዝወፅኡ ሰነዳት ትኽክለኛ ገፅታ ኣየርእን ክብል ነፂግዎ። ሓላፊ ፌስቡክ ማርክ ዙከርበርግ፡ ንሓድሽ ስም ትካሉ እንከፋልጥ ‘ሜታቨርስ’ ዝተብሃለ ኣሰራርሓ ከምዝጅምሩ ወግዓዊ ጌሩ። ሜታቨርስ ሰባት ምስ ቨርችዋል ሪያሊቲ (ምስ ጋህዳዊ ዓለም ኣብ ዝቀራረብ ዲጂታላዊ ዓለም) ውሽጢ ኮይኖም ክሰርሑ፣ ምስ ሰባት ክዘራረቡን ጌም ክፃወቱን የኽእሎም። ፌስቡክ፡ ሕዚ ዘለዎ ስም ነዚ ኣሰራርሓን ንቐፃሊ ዝተለሞም ፕሮጀክታት ስለዘይገልፅን፡ ናይ ስም ለውጢ ከምዘድለየ፡ ማርክ ዙከርበርግ ተዛሪቡ። “ኣብ ግዘ ከይዲ ትካል ሜታቨርስ ምዃና ክግንዘቡ እዮም ኢለ እኣምን። ሕዚ ዘለዉና ማሕበራዊ ሚድያታት፡ ኣብ ቀፃሊ ምስ ንጅምሮም ፕሮጀክታት ዝገልፅ ሓድሽ ስም ክንሕዝ ኣለና” ኢሉ። ፌስቡክ ቅድሚ ሕዚ ዝፍለጠሉ ዓባይ ኣፃብዕቲ (ምልክት ላይክ) ምስሊ’ውን ቀይሩ። ሜታ፡ ቃል ግሪኽ እንትኾን፡ ‘ልዕሊ’ ዝብል ትርጉም ኣለዎ። ፌስቡክ ኣገልግሎት ቨርችዋል ሪያሊቲ ክጅምር እየ ብዝብል ስሙ ከምዝቐየረ እኳ እንተገለፀ፡ ዝፀለመ ስሙ ንምፅራይ እዩ ዝብል ነቐፌታት ይስማዕ ኣሎ። ሜታ ዝብል ቃል ልዕሊ ናይ ፌስቡክ ስም ዝያዳ ኣይስማዕን ዝብል ርኢቶ ዝህቡ’ውን ኣለዉ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59088586"} {"headline":"ፌስቡክ ኣብ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ዘለዓዕሉ 'መልእኽታት' ጠጠው ብዘይምባል ተነቒፉ","content":"ሚስጢራት ፌስቡክ ዘቃልዐት ሰራሕተኛ እቲ ኩባኒያ ዝነበረት ፍራንሲስ ሃገን፡ ፌስቡክ ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርግሐ ዝንቡዕ ሓበሬታን ጎንጺ ዘለዓዕሉ መልእኽታትን ጠጠው ከም ዘይበለ ተዛሪባ። ንኮሚቴ ሓገግቲ ኣመሪካ ቃላ ዝሃበት ፍራንሲስ ኣብ ሞንጎ ኣብ ኢትዮጵያን ሚያንማርን ብዝተልዓሉ ጎንጺታት ብፌስቡክ ዝተወዝዑ ሓበሬታታትን ምትእስሳር ተረኺቡ'ዩ ኢላ። \"ስጉምቲ ዘይወስድ እንተኾይኑ ሕዚ እንርእዮም ዘለና ጸግዒ ዝሓዙ ተግባራት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከይበጽሑ ይሰግእ። ኣብ ኢትዮጵያን ሚያንማርን እንርእዮም ዘለና ነገራት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ዝበጽሑን መጀመሪ ዘስግእ ምዕራፍ ታሪኽን'ዮም\" ብምባል ገሊጻ። ፌስቡክ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት፣ ጎንጺ ዘለዓዕሉ መልእኽታት ቪድዮን ናይ ጽልኣት ዘረባታትን ጠጠው ከብል ከም ዘይክኣለ'ያ ትገልጽ። ብ2018 ፌስቡክ ኣብ ሚያንማር ምስ ዝተላዕለ ናዕቢ ብዝተሓሓዝ ናይ ጽልኣት ዘረባታት ንከይውዝዑ ኣብ ምግባር ክፍተት ከም ዝነበሮ ተኣሚኑ'ዩ። ድሕሪኡ ናይ ጽልኣት ዘረባታትን ጎንጺ ዘለዓዕሉ መልእኽታትን ንምዕጋት ከም ዝሰርሕ ቃል ኣትዩ ምንባሩ ይዝከር። ማኔጀር ምህርታት ፌስቡክ ዝነበረት ፍራንሲስ ሃገን ግን ሕጂ'ውን ነቲ ኩባኒያ ትነቅፍ። ንሳ፡ ከም ፌስቡክ ዝበሉ ትካላት ኣብቲ መጥቀሚ ማሕበራዊ ሚዲያ ብሳልሳይ ወገን ዝጥቅዑ መልእኽታት ሓለፍነት ንከይወስዱ ዝኽልክሎም ሕጊ ዓንቀጽ 230 ንክልወጥን ፌስቡክ ነቶም ዝጥቅዑ መልእኽታት ሓላፍነት ንክወስድን ሓቲታ። በዚ መሰረት ዝርግሐ ግጉይ ሓበሬታታት ምዕጋት ከም ዝክኣልን ሓሓሊፉ ዝለዓሉ ጎንጺታት ንምክልኻል ከም ዝሕግዝን ተዛሪባ። ፌስቡክ መራሕቲ ጉጅለታት ምልክን ሽበራን ኣብ ጥቕሚ የውዕሉዎ ከም ዘለው ዝገለጸት ፍራንሲስ፡ \"ከምዚኦም ዝበሉ መልእኽታት ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ብብሄር ዝተኸፋፈላ ሃገራት ጎንጺ የልዕሉ ኣለው\" ክትብል ኣብሪሃ። ስለ ዝኾነ ድማ ኣብቲ መተግበሪ ዝጥቅዑ መልእኽታት ጥዑያት ንክኾኑ ኣተሓሳሲባ። ፌስቡክ ጎንጺ ዘልዕሉ መልእኽታት ንምዕጋት ዝተፈላለዩ ኣሰራርሓታት ተግባራዊ'ኳ እንተገበረ ብመንጽር እቶም ዘለው ጸገማት ግን እኹል ከም ዘይኮነን ካብ ኢንግሊዘኛ ወጻእ ብዘለው ቋንቋታት ዝጽሃፉ መልእኽታት ኣብ ምጽራይ ሰፊሕ ክፍተት ከም ዘለዎ ሓቢራ። \"ፌስቡክ፡ ተጠቀምቱ ኣብቲ ገጽ ዝጸንሕ መልእኽቲ ናብ ቅድሚት ምምጻእ ግቡእ ከም ዘይኾነ ገሊጹ'ዩ። ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት ብኸምዚኦም ዝበሉ ጽሑፋት'ዩ ጎንጺ ዝለዓል ዘሎ። እቶም መልእኽታት ብትሕዝቶኦም ክዕቀኑ ይግባእ\" ክትብል ኣብሪሃ። ወሃቢ ቃል ፌስቡክ ኣንዲ ስቶን ግን ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ መልሲ ፍራንሲስ ኣብቲ ትካል ንኽልተ ዓመታት ከም ዝሰርሐት ብምግላጽ ብቐጥታ ናይቲ ኩባኒያ ጸብጻባት እትረኽበሉ መገዲ ኣይነበራን ኢሉ። \"ውሳነ ኣብ ዝሓልፈሎም ኣኼባታት ተሳቲፋ ኣይትፈልጥን\" ብምባል ብዛዕባ እቲ ትካል ዝተዛረበቶ ነገር ከም ዘይሰማምዐሉ ሓቢሩ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58814479"} {"headline":"ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ፌስቡክ ኣብ ኢትዮጵያ ጎነጻት ብምግዳድ ተሓታቲ ድዩ?","content":"ፌስቡክ ምስ ኢትዮጵያ ተተሓሒዙ ካብ ዝወሰዶም ስጉምቲታት እቲ ቀንዲ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ዝለጠፎ ጽሑፍ ምእላዩ ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ፌስቡክ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ እቲ ህዝቢ ‘‘መቕበሪ ሓይልታት ህወሓት ዝኾን ዕጥቂ ከልዕል’’ ዝሓተተሉ ጽሑፍ፡ መምርሒ እቲ ትካል ጥሒሱ ብምባል እዩ ኣልይዎ፡፡ ኣብ ቀረባ እዋን ሽሙ ናብ ሜታ ዝቐየረ እቲ ትካል ብዛዕባ እቲ ውሳነ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ጎንጺ ዘለዓዕሉ ወይ ዓመጽ ዝድግፉ ጽሑፋት ‘‘ ማንም ይጽሓፎም ካብ ገጽና ነውርዶም ኢና’’ ኢሉ፡፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ፌስቡክ ዝወሰዶ ስጉምቲ ተቓዊምዎ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ፡ ኤጀንሲ መረብ ድሕነት ኢትዮጵያ (INSA) ፡ ፌስቡክ ናይ ኢትዮጵያ ገጻትን ትሕዝቶታትን እናሰረዘ ‘‘ ናይ ኢትዮጵያ ሓቅታት ኣዛቢዑ እዩ’’ ብምባል ምንቃፉ ዝዝከር እዩ፡፡ ብተወሳኺ ናይ ውሽጢ ዓዲ ፌስቡክ፣ ትዊተር፣ ዋትስኣፕን ዙምን መተግበሪታት ከምዝሰርሕ እውን ገሊጹ ነይሩ፡፡ ፌስቡክ ብወገኑ ምስ ኢንሳ ርክብ ኣለዎም ዝበሎም ናይ ሕሶት ሓበሬታ ዘመሓላልፉ ገጻት ዓጽዩ እዩ፡፡ ብቐንዱ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ዝጸሓፈሎም 65 ገጻትን 72 ጉጅለታትን (ግሩፕ) ካብቶም ስጉምቲ ዝተወሰደሎም እዮም፡፡ ኣብታ ሃገር ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት ተጋዲዱ ምቕጻሉ ስዒቡ ድማ ፌስቡክ ጥራሕ ዘይኮነስ ካልኦት ዓይነታት ማህበራዊ ሚድያ እውን ምስ ኢትዮጵያ ዝተሓሓዙ ስጉምቲታት ይወስዱ ኣለዉ፡፡ ትዊተር ኣዘራረብቲ ዝኾኑ ዛዕባታት ዝሕብረሉ ኣሰራርሓ (Trends) ኣብ ኢትዮጵያ ብግዝያዊነት ከይሰርሕ ገይሩዎ ኣሎ፡፡ \"ሰባት ንእዋናዊ ሓደጋ ተቓሊዖም እዮም፡፡ ሰብኣዊ ክብሪ ምትንካፍን ጎንጺ ምልዕዓልን ንቃወም፡\"’ ክብል ነቲ ውሳነ ኣረዲኡ፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት 'ኣደባባይ' ዝተባህለ ድህረ ገጽ ሓዊሱ ብዙሓት ገጻት ካብ ዩትዩብ ተኣጊዶም እዮም። ኣደባባይ ሚድያ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ናይ ዩትብ ገጽ ከምዝተዓጸወን ብኻልእ ገጽ ይጥቀም ከምዘሎን ብትዊተሩ ኣፍሊጡ፡፡ ናይ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ናይ ፌስቡክ ገጽ ከምዝተኣገደ እውን ዝዝከር እዩ፡፡ ፌስቡክ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 92 ሽሕ ንላዕሊ ልጣፋት ካብ ፌስቡክን ኢንስታግራምን ከምዝኣለየ ኣፍሊጡ እዩ፡፡ እቶም ልጣፋት ናይ ጽልኣት ዘረባ ንምክልኻል ዝወጸ መምርሒ ከምዝጠሓሱን እቶም 98 ምኢታዊት ቅድሚ ጥቆማታት ምቕራቦም ባዕሉ ዝረኸቦም ከምዝኾኑን ገሊጹ፡፡ እቲ ትካል ኢትዮጵያ ብግዝያዊነት ‘‘ንከቢድ ሓደጋ ዝተቓልዑ’’ ሃገራት ናብ ዝብል ዝርዝር ኣእትዩዋ ኣሎ፡፡ 'ኣጽዋር ሒዝኩም ኪዱ'፣ ‘ስጉምቲ ምፍዳይ ሕነ ውሰዱ’፣ ‘ነዚ ዓሌት\/ጉጅለ ኣጥቅዑ’ ዝብሉ ጽሑፋትን ‘ሰላሊ’ ወይ ‘ከሓዲ’ ዝብሉ ቃላትን የጥፍእ ከምዘሎ ሓቢሩ፡፡ እዚ እዋን ዓመጽ ዘለዓዕሉ፣ ኲናት ዘጋድዱ፣ ብሄር ምስ ብሄር ዘጓንጹ ወይ ሓደ ማሕበረሰብ ኣብ ልዕሊ ካልእ ማሕበረሰብ ክለዓል ዝገብሩ ናይ ፌስቡክ፣ ትዊተርን ዩትዩብ ገጻትን ወፍርታት ካብ ካልእ ግዘ ዝበዝሑሉ እዋን እዩ፡፡ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጽሑፋት፣ ምስልታት ወይ ቪድዮ ብውልቀ ሰባት ጥራሕ ኣይኮኑን ዝዘዋወሩ ዘለዉ፡፡ ሰብስልጣን መንግስቲ፣ ተቓወምቲ፣ ጎስጎስቲ ማሕበራዊ ሚድያ፣ ወከልቲ ሲቪል ማሕበራትን ካልኦትን እውን ኣብዚ ተግባር ተጸሚዶም እዮም፡፡ ኣብዞም ጽሑፋት ጥቆማታት ክቐርብ እንከሎ ‘ናይዚ ጉጅለ ደጋፊ’ ወይ እውን ‘ናይቲ ጉጅለ ተቓዋሚ’ ዝብሉ ክርክራት ይለዓሉ እዮም። እቲ ኲናት ካብ ዝለዓል ናብዚ ብወገን መንግስቲ ፌደራል ይኹን ህወሓት ዘለዉ ሰባት ማሕራዊ ሚድያ ከምሓደ ናይ ኲናት ግንባር ክወስድዎ ተራእዮም እዮም፡፡ እቲ ናይ ፕሮፖጋንዳ ዓውደ ግንባር እውን ፌስቡክ እዩ ዝበሃል፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝለዓለ በዝሒ ተጠቀምቲ ዘለዎ ፌስቡክ ስለዝኾነ፡ ናይዚ ጸብጻብ ቀንዲ ትኹረት ፌስቡክ እዩ ክኸውን ክኢሉ፡፡ ፌስቡክ ነቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ማዕረ ክንደይ ተሓታቲ እዩ? ጎንጺ ዘለዓዕሉ ትሕዝቶታትን ናይ ጽልኣት ዘረባታትን ካብ ገጽ ናይ ምእላይ ሓላፍነት ማዕረ ክንደይ ተዋጺኡ? ዝብሉ ሕቶታት ክንድህስስ ኢና፡፡ ፌስቡክ ነቲ ኣብ ኢትጵያ ንዘሎ ቅልውላው ተሓታቲ ድዩ? መርበብ ሓበሬታ ናፖልዮንካት ከምዝሕብሮ ፡ ክሳብ ጥሪ 2021 ኣብ ኢትዮጵያ 6,808,000 ተጠቀምቲ ፌስቡክ ኣለዉ፤ ነቲ ቑጽሪ ናብ 8 ሚልዮን ዘጸግዕዎ እውን ኣለዉ፡፡ ካብ ጠቕላላ በዝሒ ህዝቢ 5.8 ምኢታዊት ናይ ፌስቡክ ገጽ አለዎ፡፡ 33 ምኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ እንትኾና 67 ምኢታዊት ደቂ ተባዕትዮ እዮም፡፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ንዘጋጠመ ቅልውላው ፌስቡክ ማዕረ ክንደይ ተሓታቲ እዩ? ክንብል ንኽልተ ሰብ ሞያ ኣዘራሪብና ኣለና፡፡ ንፍትሓውነት ቴክኖሎጂ እትቃለስ ትምኒት ገብሩ (ዶ\/ር) ን በዓልቲ ሞያ ቴክኖሎጅን ማሕበራዊ ጉዳያትን ብርሃን ታዬን ፡ እቲ ኲናት ኣብ ባይታ እናተጋደደ እንትቕጽል ኣብ ማሕራዊ ሚድያ ዝመሓላለፉ መልእኽቲታት እውን ከምዝበላሸዉ ይገልጻ፡፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ኣምሓራ ክልል ዞባ ደቡብ ወሎ ንዝርከቡ ከባቢታት ደሴን ኮምቦልቻን ካብ ዝቆጻጸሩ ናብዚ ኣብ ማሕራዊ ሚድያ ዝተዘርግሑ ጽሑፋት ከም ኣብነት ዝጥቀሱ እዮም፡፡ እቲ ማሕበረሰብ ኣንጻር እቲ ሓቢርዎ ዝነበረ ጎረቤት፣ ማሕበራዊ ምትእሳሳር ዘለዎም ፈተውቱን ክለዓል ዝደፋፍኡ ጽሑፋት ተዘርጊሖም እዮም፡፡ \"እቲ ኲናት ኣብ ባይታ እንትቀጻጸል ወይ ሓደ ማሕበረሰብ ነቲ ካልእ እንተጥቅዕ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እውን ይንጸባረቕ እዩ\" ትብል ብርሃን፡፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ትውልደ ኢትዮጵያውያን ስኑዓት ዜናታት፣ ናይ ጽልኣት ዘረባን ናዕቢ ዘለዓዕሉ ቪድዮታትን ከምዝዝርግሑ እውን ትዛረብ፡፡ እዚ ኣብ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት እናተጋደደ ከምዝመጸ እያ ትሕብር፡፡ ትምኒት፡ ፌስቡክ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ናዕቢ ተሓታቲ ምዃኑ ‘‘ኣየተሓትትን’’ ትብል፡፡ መብዛሕተኦም ተጠቀምቲ ፌስቡክ ካብ ኣመሪካ ወጻኢ ዝነብሩ እኳ እንተኾኑ፡ እቲ ትካል ካብ 70 ምኢታዊት ንላዕሊ ዝኾነ ናይ ፍተሻ ስራሕቲ (Content Moderation) ኣብ ኣመሪካ ኮይኑ እዩ ዝቆጻጸር፡፡ እዚ ማለት ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ኣብ ኲናት ዝርከባ ሃገራት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝዝርግሑ ናይ ጽልኣት ዘረባታት ከይተርኣዩ ናይ ምግፋሕ ዕድሎም ዝለዓለ እዩ፡፡ ‘‘ፌስቡክ ዝበዝሕ ኣታዊኡ ዝረኽቦ ካብ ኣመሪካ ወጻኢ እኳ እንተኾነ ቀንዲ ትኹረቱ ግን ኣብ ኣመሪካ እዩ ገይሩ፡፡ ኣስታት 115 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ዝነብረላ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ቅድሚ ምጅማሮም ብዛዕባ ምርመራ ትሕዝቶ ክሓስቡ ነይሩዎም’’ ትብል፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ጎንጺ ዘለዓዕሉ ጽሑፋት ናብ ፌስቡክ ካብ ዝጠቆሙ ሰባት ሓንቲ ትምኒት እያ፡፡ ናይ ቀረባ ፈተውቶም እንተይተረፈ ንምጥቃዕ ኣድራሸኦም ክሳብ ምልጣፍ ዝበጸሐ ጻውዒት ጃምላዊ ጨፍጫፍ ንልዕሊ 18 ሰዓታት ኣብ ፌስቡክ ጸኒሑ እዩ ትብል፡፡ ኣብቶም ጽሑፋት ጥቆማ ምስቀረበ መጀመርታ ናይ ፌስቡክ መልሲ ‘‘ምስ ፖሊሲና ኣይጋጮን’’ ዝብል እዩ ነይሩ ፡፡ ጸኒሑ ግን እቶም ጽሑፋት ክጠፍኡ ተገይሩ፡፡ ትምኒት ከምእትብሎ፡ ኣብቶም ጽሑፋት ብብዙሓት ሰባት ጥቆማ ምስቀረበ፡ ድሕሪኡ ድማ እቲ ትካል ኣብ ኣመሪካ ብዝነብሩ ጋዜጠኛታት ምስሓተተ እዩ እቲ ጽሑፍ ተኣልዩ። ‘‘እቲ ጽሑፍ ምስተኣለየ እውን ኣብቶም ዝጸሓፍዎ ሰባት ስጉምቲ ኣይተወሰደን፤ እቶም ሰባት እንተደልዮም ካልእ ግዘ እውን ከምኡ ክብሉ ይኽእሉ እዮም’’ ብምባል ስግኣታ ትገልጽ፡፡ ወሃቢት ቃል ፌስቡክ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ጥዕና ዘለዎ ኣገልግሎት ንምሃብ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ፌስቡክ ቁጽሪ ትሕዝቶ ፈተሸቲ ሰራሕተኛታቱ ወሲኹ እዩ ኢላ፡፡ ኣምሓርኛ፣ ኦሮምኛን ትግርኛን ዝዛረቡ ሰራሕተኛታቱ መምርሒ እቲ ትካል ዝጥሕስ ትሕዝቶ ዘለዎም ‘‘ቀልጢፎም ብምርካብ ሓቢሮምልና እዮም’’ ትብል፡፡ ኣብ ምርመራ ትሕዝቶታት ምስ ሃገራውን ዓለም ለኻውን ሓገዝቲ ሓቢሮም ከምዝሰርሑ እውን ትገልጽ፡፡ ብተወሳኺ እቶም ሰራሕተኛታት ፖለቲካ እቲ ዞባን ኩነታት ኢትዮጵያ ዝርድኡን ኣብ ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን ዝነበሩን ኢትዮጵያውያን ከምዝኾኑን ተዛሪባ፡፡ ‘‘ኣብ ኢትዮጵያ ምስዘለዉ ሲቪል ማሕበራት ብምዝርራብ ብዛዕባ እዋናዊ ጉዳይ ግንዛበ ንምርካብ ንፍትን ኢና፡፡ ፖሊሲና ዝጥሕስ ትሕዝቶ እውን ንስርዝ ኢና፡፡’’ ኣብ ፌስቡክ ዝጥቃዕ ናይ ጽላኣት ዘረባ ወይ ጎንጺ ዘለዓዕል ትሕዝቶ ስነልቦናዊ ጸቕጢ ብምፍጣር ንእኩይ ተግባር የለዓዕልዶ? ምናልባት እቲ ዝበሃል ነገር ‘ተቐባልነት’ ከምዝረኸበ የምስሎዶ? ብፍላይ ብሰበስልጣን መንግስቲ፣ ብፍሉጣት ሰባትን ናይ ማሕራዊ ሚድያ ጎስጎስትን ዝኾነ ነገር እንትበሃል ‘ሓቂ እዩ’ ዝብል ኣመለኻኽታ ንምንታይ ይጎልህ? እዞም ሕቶታት ናይ ስነ ልቦና፣ ማሕበረሰብን ቴክኖሎጅን ተመራመርቲ መዘራረቢ ዛዕባታት ካብ ዝኾኑ ጸኒሖም እዮም፡፡ ኤምኣይቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ጀርመን ዝተኻየደ መጽናዕቲ ጠቒሱ ከምዝሓበሮ፡ ኣብ ፌስቡክ ዝልጠፉ ናይ ጽልኣት ዘረባታት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ብዕጽፊ ክውስኽ ገይሩ እዩ፡፡ ኣብ ክልተ ዓመት ኣብ ዝተፈጸሙ ኣስታት 3 ሽሕ መጥቃዕቲታት ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣብ መንጎ ጽሑፋት ፌስቡክን መጥቃዕቲታትን ተዛምዶ ከምዘሎ ረኺቡ እዩ፡፡ እቲ መጽናዕቲ ኣብ ጀርመን እንትካየድ ኲናት ወይ ጎንጺ ኣይነበረን፤ ኲናት ኣብ ዘለዎ ሃገር ነገራት ኣዝዮም ዝኸፍኡ እዮም ዝኾኑ፡፡ ኒው ዮርክ ታይምስ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ኣብ ፊሊፒንስ፣ ሊብያ፣ ህንዲ፣ ሚያንማርን ጀርመንን ምስ ፌስቡክ ከምዝተሓሓዙ ሓቢሩ እዩ፡፡ ኣብ ሚያንማር ንዝበጸሐን ንናይ ብዙሓት ሙስሊም ሮሂንጋውያን ሞትን ምፍንቓልን ምኽንያት ዝኾነ መጥቃዕቲ ፌስቡክ ተሓታቲ ይግበር እዩ፡፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝጀመረሉ ወርሒ ጥራሕ 730 ህጻናት ሓዊሱ 6 ሽሕን 700 ሙስሊማት እንትቕተሉ፡ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ናብ ጎረቤት ሃገር ባንግላድሽ ተሰዲዶም፡፡ ፌስቡክ ኣብ ሚያንማር ናይ ጽልኣት ዘረባን ጎንጺ ዘለዓዕል ጽሑፋትን እኹል ብዝኾነ ኣገባብ ብዘይምክልኻሉ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዘበኣኣሶ ኣሚኑ እዩ፡፡ መስራቲ እቲ ትካል ማርክ ዙከርበርግ እውን ብዕሊ ይቕረታ ምሕታቱ ዝዝከር እዩ፡፡ ብርሃን ከምእትገልጾ፡ ኢትዮጵያ ሰላማዊት ሃገር ነይራ እንተትኾን ሓደ ሰብ ተላዒሉ ‘‘ተወልድቲ ትግራዋይ፣ ኣምሓራይ፣ ኦሮሞ፣ ሶማል ወይ እውን ካልእ ብሄር ቅተሉ’’ እንተዝብል እቲ ማሕበረሰብ ክስዕቦ ዘይኮነስ ክነቕፎ ይኽእል እዩ፡፡ ኮይኑ ግና እታ ሃገር ብጎንጺ ትሕቆን ሰለዘላ ኣብ ስልክን ኮምፒተርን ዘሎ ናዕቢ ዘልዕል ጽሑፍ ብቐሊሉ ክፉእ ተግባር እዩ ዘስዕብ፡፡ ‘‘ደሓን ሰብ እዩ፤ ከምዚ ኣይሓስብን ዝበሃል ኩሉ ናይ ጽላኣት ዘረባ እንትጽሕፍ፡ ብሱሩ ጎረቤተይ መን እዩ? ክትብል ይገብረካ’’ ትብል፡፡ ብተወሳኺ ‘‘ ቅተሉዎም፣ እሰሩዎም’’ ዝብሉ ጽሑፋት መጥቃዕቲ ክጋደድ እዮም ዝገብሩ፡፡ ጽባሕ ጽቡቕ ከምዘይኸውን ክስመዐና ናይ ምግባር ሓይሊ ኣለዎም ትብል፡፡ ትምኒት ብወገና ዕላዊ ናይ ጽላኣት ዘረባታት ህዝቢ ምስ ህዝቢ ክዋዳእ ከምዝገብሩ ነቲ ኣብ 1994 ኣኣ ኣብ ሩዋንዳ ዝተፈጸመ ምጽናት ዓሌት ከም ኣብነት ትጠቅስ፡፡ እቲ ክስተት ኣብ ውሽጢ 100 መዓልቲታት ኣስታት 800 ሽሕ ቱትሲ ብሕሉፋት ሁቱ ዝተጨፍጨፉሉ ዘሕዝን ክስተት እዩ፡፡ ኣብቲ እዋን ካብ ዓሌት ሁቱ ዝውለድ ፕረዚደንት ሩዋንዳ ጁቬናል ሀቢያሪማና ዝተሳፈረላ ኣውሮፕላን ተወቒዓ ምስወደቐት ‘‘ቱትሲ ነጥፍእ’’ ዝብል ምንቅስቓስ ብሬድዮን ኣደባባይን ተጀሚሩ፡፡ ብዙሕ እንተይጸነሐ እቲ ጎንጺ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ፡፡ ‘‘ሰባት ኣብ ፌስቡክ ዝርእይዎ ነገር ዕላዊ (Official) እዩ ዝመስሎም፡፡ ብተደጋጋሚ እንትርእይዎ ጽላኣት የሕድሩ፡፡ ሰብኣውነት ይጠፍእ፡፡ ካልእ ሰብ እንታይ ዓይነት ጸገም የጋጥሞ ከምዘሎ ምርኣይ ደው የብሉ’’ ትብል ትምኒት፡፡ ንሓደ ብሄር ወይ ጉጅለ ዘጽላእልኡ ዘረባታት፣ ጽሑፋት ወይ ምስልታት ብበዝሒ ምስተዘርግሑ፡ ‘‘ሐዚ ኣጥቅዕዎም’’ እንተተባሂሉ ሰብኣውነት ዘረስዕን ብስምዒት ዝዝውርን ኩነታት እዩ ዝፍጠር፡፡ ናይ ጽላኣት ዘረባታት እንትደጋገም ናይ ዕስለነት ስምዒት ናይ ምፍጣር ሓይሊ ከምዘለዎም ትምኒት ትገልጽ፡፡ ኣብ ኮንግረስ ኣሜሪካ ቀሪባ ምስክርነት ዝሃበት ነባር ሰራሕተኛ ፌስቡክ፡ ፍራንሲስ ሃውገን ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ፌስቡክ ልዑል ትኹረት ካብ ዘድልየን ዝርዝር ሃገራት ሓንቲ እንተኾነት’ኳ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ቁጽጽር ምስቲ ዝጥቃዕ ዘሎ ጎንጺ ዘለዓዕል ጽሑፍ እኹል ኣይኮነን በሃሊት እያ። ሰራሕተኛታት ፌስቡክ፡ ‘መንግስቲን ካልኦት ውድባትን ንመረባ ፌስቡክ ብዘይኣግባብ እናተበለጽሉ ከምዝኾኑ ዝገልጽ መጠንቀቕታ” ከምዝሃቡ ልሒኹ ዝወጽአ ሰነድ ይሕብር። እቲ ሰነድ፡ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ዘይማዕበላ ሃገራት ነቲ ቋንቋ ዝዛረቡ ሰባት ኣይቆጸረን ኢሉ’ውን ዝነቅፍ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መጋቢት ዝወጽአ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ ልዕሊ ገለ ብቑጽሮም ‘ንኡስ’ ብሄራት መጥቃዕቲ ንምልዕዓል ፌስቡክ ኣብ ረብሓ ከምዘውዐልዎ ይገልጽ። ካብቶም ከምዚ ዓይነት ጉጅለታት ሓደ ቀዲሙ ስሙ ዝጥቀስ፡ ‘ፋኖ’ ብዝብል ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ካብ መንጎኦም በቲ ጉጅለ ዝንቀሳቐሱ ገጻት፡ መሰረቶም ኣብ ሱዳን ከምዝገበሩ እዩ እቲ ጸብጻብ ዘመልክት። ሰራሕተኛታት ፌሰቡክ፡ “ምስ ፋኖ ርክብ ዘለዎም ገጻት ጎንጺ ዘላዕሉ እዮም። ካብ ፌሰቡክ ይተኣለዩ” ብዝብል ንላዕለዎት መራሕቲ ፌሰብክ ኣመልኪቶም ነይሮም። ምስ ናይ ኦሮሞ ዲያስፖራ ርክብ ዘለዎም ምቕማጦም ኣብ ግብጺ ዝኾነ ገለ ገጻት ድማ፡ ብተመሳሳሊ ብኸምኡ ስሞም ተልዒሉ ነይሩ። እዞም ገጻት “ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዓሌታትን ሰበስልጣናትን መጥቃዕቲ ክፍነዉ ብቕሉዕ የለዓዕሉ ነይሮም” ብዝብል ክእለዩ ተወሲኑ እዩ። ፍራንሲስ ሃውገን ከመ እትብሎ፡ ፌስቡክ ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት ዝሰርሐሉ መገዲ ኣዝዩ ንሓደጋ ዘቃልዕ እዩ። ንብዙሓት ዘዘራርቡ ትሕዝቶታት ናብ ቅድሚት ገጽ ምምጽኡ (Engagement Based Ranking) ዓሌታዊ ጎንጽታት የለዓዕል እዩ ዘሎ። “ምናልባሽ እውን ኣብ ዝቕጽሉ 10ን 20ን ዓመታት ብዙሕ ሰብ ክመውት ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ድማ ናይ ትሕዝቶ ምጽራይ ዘይምክያዱ እዩ። ኢትዮጵያን ሚያንማርን ገና መበገሲታት እየን። ንቕድሚት ብዙሕ ጥፍኣት ከይፍጸም የስግእ እዩ” ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ገለ ፖለቲከኛታትን፡ ፌስቡክ ንጎንጺ ምብእኣስ ምኽንያት ከይኸውን እናጠንቀቑ ጸኒሖም እዮም። ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ሚያንማር ዝተፈጸመ ኣብ ኢትዮጵያ ከይድገም፡ ልኡኻን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይተረፉ፡ ፌስቡክ ንኢትዮጵያ ዓቢ ትኹረት ክህብ ሕቶ ክቐርበሉ ጸኒሑ እዩ። ብርሃን፡ ፌስቡክ ኣብ ክንዲ ውሕስነት ተጠቀምቲ፡ ኣታዊኡ ኣቐዲሙ ከምዝርኢ እያ ተረድእ። “ፌስቡክ ብነጻ እንተተጠቐምና’ኳ፡ ዕዳጋ ንሕና ኢና፤ ፌሰቡክ ገንዘብ ዝረክብ ካብ መላለይቲ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ተጠቀምቲ እንትህልዉ ብዙሓት ዘላልዩ ትካላት ገንዘብ ይኸፍልዎ። ፌስቡክ እዚ ሚዛን ምትእስሳር ንግዲ ክዛባዖ ኣይደልን”። ምስ ኣብ ኤስያን ኣውሮጳን ዘሎ በዝሒ እንትነጻጸር ግን ተጠቃሚ ውሑድ ስለዝኾነ፡ ንኢትዮጵያ ክንድ’ቲ ዝድለ ቆላሕታ ኣይህብን። ትሕዝቶ ንምፍታሽ፡ ሰብ-ሰራሕ ብልሓት [Artificial Intelligence] ይጥቀም። እንተኾነ እቲ ማሽን ብኣምሓርኛ፣ ኦሮምኛ፣ ትግርኛን ካልኦት ቋንቋታትን እንተዘይሰልጢኑ ነቲ ትሕዝቶ ብዝግባእ ኣይምርምርን። ብርሃን፡ ርክብ ፌስቡክን ኢትዮጵያን ዕንክሊል (Vicious Circle) እያ ትብሎ። ብኸምዚ ድማ ትገልጾ፤ “ፌስቡክ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ተጠቃሚ የብሉን>>ብዙሕ ገንዘብ ድማ ኣይረክብን፤ ስለዝኾነ፡ ንምርመራ ትሕዝቶ ቆላሕታ ኣይህብን>> ትሕዝቶ እንተዘይመርሚሩ ጎንጺ ዘላዕሉ ጽሑፋት ይበዝሑ' ፌሰቡክ ንኢትዮጵያ ቆላሕታ ንክህብ፣ ብዝሒ ይውስኽ' ብዝሒ ተጠቃሚ ብዝወሰኸ ቁጽሪ እቲ ጎንጺ ይበኣኣስ”። ትምኒት ብወገና ብቀንዱ እትነቅፍ፡ ንቅደም ሰዓብ ሓበሬታ ንምሃብ ዝኽተሎ ኣስራርሓ (Ranking Algorithm) እዩ። ኩሉ ተጠቃሚ ኣብ ፌስቡክ ዝልጥፎ፡ ብማዕረ ኣይኮነን ዝረአ። ብምዘና ፌስቡክ እዩ ኣብቲ ገጽ ዝዛወር። “እዚ ሚዛን ግን፡ ዘይምዕሩይ” እያ ትብሎ። እዚ ማለት ንሰባት ዘቖጥዕ፡ ናብ ቅድሚት ንክመጽእ ቀዳምነት እዩ ዝህብ። ምኽንያቱ እቲ ንሰባት ዘናድድ ትሕዝቶ፡ ኣብ ገጽ ተጠቀምቲ ናይ ሰባት ተሳትፎ(Engagement) ይውስኽ እዩ። ማለት ሰባት ነቲ ትሕዝቶ ከባጽሑ፣ ክፈትዉዎን ርእይቶ ክህብሉን ይዕድም። እዚ ብዝገበሩ ቑጽሪ፡ ኣብ ፌስቡክ ጻንሒቶም ስለዝውስኽ ብዙሕ ገንዘብ ይኸስብ። “ፌስቡክ ቀዳምነት ዝህብ ንኣታዊኡ ስለዝኾነ ንትሕዝቶ መርመራ ወጻኢ ክገብር ኣይደልን። ‘ንድሕነት ቀዳምነት ሃብ’ ዝብል ኣስገዳድ ሕጊ ድማ የለን”። ዝተጠቆሙ ትሕዝቶታት ስለምንታይ ቀልጢፎም ኣይእለዩን? ኣምነስቲ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ ምስቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ተኣሳሲሩ ኣብ ፌሰቡክ ዝቃልሑ ዘለዉ ዓሌታዊ ጎንጽታት ዘላዐዓዕሉ ጽሑፋት ዘስግእ እዩ ክብል ሓቢሩ ኣሎ። ሓላፊ ክፍሊ ምብራቕ ኣፍሪቃ እቲ ትካል፡ ዴፕሮሴ ሙቺና፡ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ጎንጺ ዘምርሑ ናይ ጽልኣት ዘረባታት ናይ ምግዳብ ሓላፍነት ኣለዎ። እቶም ትሕዝቶታት ክኹንኖም ኣለዎ። ትካላት ማሕበራዊ ሚድያ ድማ ትሕዝቶ ዝምርምርሎም ኣሰራርሓታት ከበርትዕ ይግባእ” ኢሉ። ኣብ ፌስቡክ ‘ጽልኢ የለዓዕሉ እዮም’ ተባሂሎም ዝተጠቆሙ ጽሑፋት፡ ዝእለይሉ ፍጥነት ዘካትዕ እዩ። ትምኒት ግን፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዘስካሕኽሕ ኲናት ኣብ ግምት ብመእታው ፌስቡክ ንኢትዮጵያ ብርቱዕ ናይ ትሕዝቶ ቁጽጽር ዝገብረሉ ኣሰራርሓ ክዝርግሕ ነይርዎ ዝብል እምነት ኣለዋ። ከም ናታ እምነት፡ ሓደ ትሕዝቶ ምስ ተጠቆመ [ሮፖርት ምስተገበርሉ] ፌስቡክ ክሳብ ዘጻርዮ፡ ብዙሓት ከይሪእዎ ክግድቦ ይኽእል ነይሩ። ኣብ ፌስቡክ ብዙሓት ሰዓብቲ ዘለውዎም ሰባት ገጾም ክምርመር ኣለዎ ድማ ትብል። ነቲ ትሕዝቶ ካብ ምእላይ ብተወሳኺ፡ በዓልናይ እቲ ጽሑፍ ካልእ ሕማቕ ትሕዝቶ ዘለዎ ጽሑፍ ከይጥቅዕ ብቕልጡፍ ስጉምቲ ክውሰድ ትምዕድ። ሓደ ሓደ ግዜ ብዙሕ ሰብ ስለዝጠቆመ ጥራይ፡ ጽቡቓት ትሕዝቶታት ብጌጋ ክእለዩ ይግበሩ እዮም። እዚ ድማ፡ ኣብቲ ትሕዝቶ ምርመራ ክፍተት ከምዘሎ መርአያ እዩ። ከምኡ’ውን ፌስቡክ፡ ምስ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ምክልኻል ምጽናት ዓሌት ዝሰርሑን ሰብ ሞያ ማሕበረሰብን ተጣሚሩ ክሰርሕ ከምዝግባእ ትሕብር። እቲ ሰብ-ሰራሕ ማሺን ኣብ ምትርጓም’ውን ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ዓውዲ ወጺኡ ዝሰርሐሉ እዋን ኣሎ። ንኣብነት፡ ‘ምጽናት’ ዝብል ምስ ዓሌት ብዘይተኣሳሰር ኣብ ካልእ ዓውዲ እንተኣትዩ፡ ጸገም ዘይክህልዎ ይኽእል እዩ። ንውድዓዊ ኩናተት ኢትዮጵያ ዝግንዘቡ ሰባት ምስቲ ማሺን ጎናጎኒ ምቕማጥ ዘድሊ ነዚ እዩ- ትብል። ብርሃን’ውን ነቲ ናይ ትምኒት ሓሳብ እያ ትድግፍ። “ንኣብነት ካብ ሓደ 100 ቅተሎ፣ ቀጥቅጦ፣ ኣፍልሶ . . ዝብሉ መልእኽቲታት ጥቆማ እንተተገብረ’ኳ፡ 80 ሚኢታዊት ምስ መትከላትና ኣይጻረሩን ተባሂሎም ዕሽሽ እዮም ዝበሃሉ” ኢላ። ብርሃን ከምእትብሎ፡ ፌስቡክ ብዝገበሮ ዳህሳስ ኣብ ከም ኣምሓርኛን ኦሮምኛን ዝኣመሰሉ ቋንቋታት እቲ ማሺን ቃላት ናይ ምፍላይ ጸገማት ከመዘለዎ ተፈሊጡ እዩ። “እቲ ጸገም ዙርያ ምላሽ እዩ። ነቲ ዓውዲ ዘይምርዳእን ዕሽሽነትን ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ተወለድቲ ትግራይ ናብ ሓደ መእከቢ ቦታ [Concentration Camp] ይወሰዱ ዝብል ጽሑፍ፡ ጭቡጥ ሓደጋ ዘስዕብ ኮይኑ እንተሎ ንልዕሊ 24 ሰዓታት ኣይተልዓለን። ዓሚ ወርሒ ሰነ ‘ሰብ ብኸምዚ መገዲ ገይርካ ይቀተል’ ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ምስሊ ዛጊድ ኣይተልዓለን” ትብል። ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት ሃብታም ሃገራትን ከም ፌስቡክ ዝበሉ ኩባንያታት ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ግዝኣተን ዝሰርሐሉ መስርሕን መትከላት ኣቕሚጦም እዮም። ኢትዮጵያ ግን፡ ኣብዚ ሕዚ ከምኡ ምግባር ዘኽእል ዓቕሚ ስለዘይብላ ናይ መወዳእታ ፍትሒ፡ ኣብ ኢድ ተጠቀምትን ትካል ፌስቡክን እዩ ወዲቑ። ወሃቢት ቃል ሜታ፡ ንቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ ፌስቡክ ኣብ ኢትዮጵያ ጥቆማ ንምክያድ ቀሊልን ቅልጡፍን ንምግባር ምምሕያሻት እደናገበረ እዩ። “ጥቆማ ዝተገበረሎም ንምርምር፤ መትከላትና ብኣምሓርኛ ኦሮምኛን ተተርጐሞም እዮም። ናይ ደገን ናይ ውሽጢ ዓድን ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ሲቪል ማሕበራትን ዝጠቀምሉ ኣሰራርሓ ኣለና። ንሳቶም ጎዳእቲ ዝብልዎም፤ ቀዳምነት ሂብና ንምርመር ኣለና” ኢላ። ፌስቡክ ከምዝብሎ፡ ትሕዝቶ ዝምርምር ምስ ዘይሻራዊ ሳልሳይ ወገን ኮይኑ እዩ። ናይ ኢትዮጵያ ትሕዝቶ ምርመራ፡ ምስ ፔሳ ቼክን በኤኤፍፒ ፋክትን ኮይኑ እዩ ዝስራሕ። ሓደ ሓበሬታ ስኑዕ እዩ ተባሂሉ እንትጥቆም፡ ብዝሒ ዝሪእዎ ሰባት ነክንኪ ከምዝግበርእን፡ መጠንቀቕታ ጽሑፍ ከምዝጥቀዐሉን እታ ወሃቢት ቃል ተዛሪባ። ጎንጺ ዘለዓዕሉ ናይ ጽልኣት ዘረባታት ወይ ድማ ዓመጽ ዘለዓዕሉ ትሕዝቶታት ብሰብ-ሰራሕ ብልሓት ክሳብ ዝጥቆሙ፡ መጠን ምቅላሖም ከምዝግደብ ተዛሪባ። “ብተደጋጋሚ ምስ መትከላት ፌስቡክ ዝጻረረሩ ጽሑፋት ዝተረኸቦም ሰባት፡ ጽሑፋቶም ብሓፈሻ ዝበጽሖም ተመልከትቲ መጠን ክንከ ይግበር” ኢላ። ፌሰብክ እዚ ይበል ‘ምበር መስ ኢትዮጵያ ብዝተሓሓዝ፡ ስሙ ብሕማቕ ይለዓል ኣሎ። በቢደቒቕኡ ዝቃልሑ ‘ዘይተኣደቡ’ ጽሑፋት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዘብጽሕዎ ስግኣት ዓቢ እዩ። ፌስቡክ፡ ከምቲ ኣብ ቅልውላው ሚያንማር ምስ ሓለፈ ‘ይቕርታ’ ዝሓተተ ከይኮነስ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ከይደንጎየ ስጉምቲ ክወስድ ሰብ ሞያታት፡ ብርሃንን ትምኒትን ይምዕዳ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59286905"} {"headline":"ፌስቡክ ዘውጽኦ ሓድሽ ስም ብቋንቋ እብራይስጥ ዝሓዞ ትርጉም ባጫን ላግጽን ኣስዒቡሉ","content":"ንማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ገጻት ዘመሓድር ኩባንያ ወግዓዊ ዝገበሮ \"ሜታ\" ዝብል ሓድሽ ስም ኣብ እስራኤል ንባጫን ላግጽን ተቓሊዑ ኣሎ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ እቲ ቃል ብቋንቋ እብራይስጥ ክትርጎም ከሎ \"ምውት\/ህይወት ኣልቦ\" ዝብል ትርጉም ስለዘለዎ'ዩ። በዚ ምኽንያት ብዙሓት ሰባት #FacebookDead ብዝብል ወፍሪ 'ሃሽታግ' ንትርጉም እቲ ሓድሽ ስም ይቀባበልዎ ኣለዉ። 'ዘካ' ዝተበሃለ ጉጅለ ወለንተኛታት ምድሓን ነብሲ እዋን ሓደጋ ካብ ሞንጎ ኣብ ስያመ ፌስቡክ ዘባጨው ሓደ ኮይኑ'ሎ። ኣብ ትዊተሩ \"ኣይትጨነቑ 'ክነድሕኖ ንሰርሕ ኣለና ኢና\" ዝብል መልእኽቲ ድማ ዘርጊሑ። ካልእ ተጠቃሚ ትዊተር ከኣ \"ኩሉ ተዛራቢ እብራይስጥ ዝስሕቐሉ ምኽንያት ስለዝረኸብና ኣዚና ነመዝግን\" ኢሉ። ብርግጽ ፌስቡክ ዘውጽኦ ሓድሽ ስያመ ኣዘራራብን ንላግጺ ዝተቓልዐ ክኸውን ከሎ ፈለማይ ትካል ኣይኮነን። ካልኦት ትካላት'ውን ብሰንኪ ኣዘራረብቲ ትርጉም ስያመ ንባጫን ላግጽን ዝተቓልዑ ምንባሮም ይዝከር። ካብ ስጋ ደርሆ ዝዳለዉ መግብታት ብምሻጥ ዝፍለጥ ዓብዪ ትካል 'ኬኤፍሲ' ሓደ ካብቶም ግዳያት ኮይኑ ነይሩ። ከም ኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን ኣብ 1980ታት ኣብ ቻይና ስራሕ ክጅምር ከሎ \"ኣጻብዕቲ ዘቖርጥም\" ዝብል ንመላለዪ ፍርያቱ ዝተጠቐመሉ ሓጺር መልእኽቲ ንቻይናውያን ዘዛነየ ምንባሩ ይግለጽ። ነቲ መልእኽቲ ዝቀራረብ ትርጉም ቋንቋ እታ ሃገር \"ኣጻብዕትኻ ብላዕ\/ብልዒ\" ናብ ዝብል'ዩ ዝቀራረብ። ይኹን'ምበር ሽዑ እቲ ትርጉም ኣብ ልዕሊ እቲ ትካል ዘሕደሮ ጽልዋ ኣይነበረን። ኣብ ቻይና ብቐዳምነት ካብ ዝስርዑ መግቢ ዘቕርቡ ትካላት ኮይኑ ቀጺሉ'ሎ። 'ሮልስ ሮይስ' ብዝብል ዝልለ መኪና ዘፍርይ ኩባንያ'ውን 'ሲልቨር ሚስት' ዝብል ስያመ ዝሃቦ መኪና ኣብ ጀርመን \"ቀልቀል ወይ ፍታን\" ዝብል ትርጉም ይሕዝ። በዚ ምኽንያት ከኣ ስያመ እቲ መኪና ናብ 'ሲልቨር ሾዶ' ክቕይር ተገዲዱ። ፍርያት ኖኪያ ዝኾነ 'ሉሚያ' ብተዛረብቲ ቋንቋ ስፓኒሽ 'ፋይቶት\/ነብሳ ሸይጣ ትሓድር\" ዝብል ትርጉም ኣለዎ። መኪና ዘፍርይ ኩባንያ ሆንዳ ብወገኑ 'ፊታ' ዝብል ስም ክስይም ተዳልዩ'ኳ እንተነበረ፤ ብቋንቋ ሽወደን \"ርሕሚ\/ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ\" ዝብል ስለዝኾነ ነቲ ስም ክቕይሮ ምውሳኑ ይግለጽ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-59102088"} {"headline":"ሜታ፡ ምስ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ብዝተሓሓዝ ብ 2 ቢልዮን ዶላር ካሕሳ ተኸሲሱ","content":"ኣገባብ መስርሕ ፈይስቡክ፡ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተላዕለ ኲናት ሓድሕድ ብዝተኣሳሰር ዝጋፋሕ ዝነበረ ጽልእን ጐንጽን ኣብ ምግዳድ ኣበርክቶ ገይሩ ዝብል ክሲ ቀሪቡሉ። ኣብርሃም መዓርግ፡ ወዱ ነቲ ብፈይስቡክ ድሕሪ ዝቐረበሉ ጸለመ ዝተቐትለ መምህር ዩኒቨርሲቲ ኰይኑ፡ ሓደ ካብቶም ኣንጻር ሜታ ክሲ ዝመስረቱ ሰባት እዩ። እቶም ከሰስቲ፡ ነቶም ኣብ ፈይስቡክ ግዳይ ጽልኣት ዝዀኑ 2 ቢልዮን ዶላር ካሕሳ ክኽፈሎምን፡ መስርሕ (ኣልጎሪዝም) 'ቲ ማሕበራዊ ሚድያ ክቕየርን ይሓቱ ኣለዉ። ሜታ ኣብ ቍጽጽርን ቴክኖሎጅን ብዙሕ ገንዘብ ከምዘውጽአ እዩ ዝገልጽ። ወኪል እቲ ትካል፡ ዘረባ ጽልኢን ጎንጺ ምልዕዓልን ንሕጊ እቲ ትካል ከምዝጻባእ ይሕብር። “ኣብ ኢትዮጵያ ዘለና ናይ ድሕነትን ግሉጽነትን ስርሓቲ ካብ ሲቪል ማሕበራት ውሽጢ ዓድን ዓለምለኻውያን ትካላትን ብእንረኽቦም ርእይቶታት ዝምራሕ እዩ” ይብል። እቲ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ዝተኸፈተ ክሲ፡ ፎክስግሎቭ ብዝተባህለ ጕጅለ ጐስጓስ ዝድገፍ እዩ። ሜታ ትሕዝቶታቱ ዝቈጻጸረሉ ማእከል ኣብ ናይሮቢ - ኬንያ ኣለዎ። ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ዝሞቱ ኰይኖም፡ ካልኦት ኣማኢት ኣሽሓት ኣብ ዓጸቦ መሰል ኵነታት ይነብሩ ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻኢ ዝዀነ ስምምዕ ሰላም ተፈሪሙ እዩ። ኰይኑ ግን ኣብ ቀረባ ኣብ መንጐ ኣምሓራን ኦሮሞን ዓሌት መሰረት ዝገበረ ጐንጺ ጐዲዱ ተራእዩ። ኣቦኡ ንኣብርሃም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እዩ ግዳይ ኣብታ ሃገር ዝተወለዐ ጐንጺ ኰይኑ። ብ 3 ሕዳር 2021፡ ፕሮፌሰር መዓርግ ኣማረ ኣብርሃ፡ ካብቲ ዝምህረሉ ዩኒቨርሲቲ ናብ ገዛኡ ኣብ ዝኸደሉ፡ ኣብ ሞተር ሳይክል ኰይኖም ብዝሰዓብዎ ዕጡቓት ኣብ ኣፍደገ ገዛኡ ተቐቲሉ። እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙሉ ሰባት ስለዘፋራርሕዎም ነቲ መጥቃዕቲ ዝረኣዩ ሰባት'ኳ ክሕግዝዎ ከምዘይከኣሉ ኣብርሃም ይገልጽ። ፕሮፌሰር መዓርግ፡ ድሕሪ ሸውዓተ ሰዓታት ኣብቲ ዝወደቐሉ ሞይቱ። ቅድሚ ምማቱ ብዛዕባኡ ጸለመታትን መንነቱ ዝገልጹ ሓበሬታታትን ኣብ ፈይስቡክ ከምዝተዘርግሑ እዩ ወዱ ዝዛረብ። ዋላ'ኳ ኣብቲ መተግበሪ ብዘሎ መውሃቢ ሓበሬታ ኣቢሉ ናብቲ ትካል ጥርዓን እንተቕረበ፡ “እዋን ክሳብ ዝሓልፍ እቶም ልጣፋት ኣይተኣለዩን።” ሓደ ልጣፍ ድሕሪ ሞት እቲ ፕሮፌሰር እዩ ተኣልዩ። እቲ ትካል ከምዝኣልዮ ዝገለጸ ካልእ ልጣፍ እውን ካብ 8 ታሕሳስ 2022 ኣትሒዙ ኣብ ኢንተርነት ነይሩ። “ፈይስቡክ ብእዋኑ ነቲ ናይ ጽልኢ ዘረባታት ደው እንተዘብሎን ልጣፋቱ እንተዝቈጻጸርን፡ ኣቦይ ኣብዚ እውን ብህይወት ምሃለወ” ይብል ኣብርሃም። ሜታ፡ “ብውልቀይ ይቕረታ ክሓተኒ እደሊ” ዝብል ኣብርሃም፡ እቲ ንሱ ዝረኸቦ መከራ ካልኦት ቤተሰባት ከይወርዶም ክግበር እዩ ዝደሊ። ነቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣገባብ መስርሕ ሜታ “ናይ ጽልኣትን ጐንጺ ዘለዓዕሉን” ትሕዝቶታት ዘወዓውዕ ከምዝዀነን  ብዝሒ ብኣምሓርኛ፡ ትግርኛን ኦሮምኛን ዝቐርቡ ልጣፋት ዝቈጻጸሩ ሰባት “ብዘሕዝን ውሑዳት” ከምዝዀኑን ገሊጹ። ወናኒ ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ዝዀነ ሜታ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ግን፡ “ኣብ ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ እዅል ፍልጠት ዘለዎምን ሰብ ሞያን ብምቝጻር ብዙሕ ተዛራቢ ብዘለዎም ቋንቋታት ኣምሓርኛ፡ ኦሮምኛ፡ ሶማልኛን ትግርኛን ዝልጠፉ ሕጊ ዝጥሕሱ ልጣፋት ናይ ምቍጽጻር ዓቕምና ንምሕያል ንሰርሕ ኣለና” ኢሉ። ዋላ'ኳ ኢትዮጵያ ካብ ብዝሒ ህዝባ ትሕቲ 10 ሚእታዊት ፈይስቡክ ዝጥቀም እንተዀነ፡ እቲ ትካል ነታ ሃገር ቀዳምነት ሂቡ ከምዝሰርሕ ይገልጽ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/articles\/cn0y9n5dnnlo"} {"headline":"መስራቲ ፌስቡክ ማርክ ዛከርበርግ፡ ን 'ተጓዳኢ ትሕዝቶ' ዝቕይድ ሕጊ ክህሉ ጠሊቡ","content":"መስራቲ ፌስቡክ ማርክ ዛከርበርግ፡ ደረት ናይ ምዝራብ መሰል ዝወሰን ብትካላት ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ዘይኮነ ብምግላጽ፤ ኣብ ኦንላይን ን 'ተጓዳኢ ትሕዝቶ' ዝቕይድ ትርር ዝበለ ሕጊ ክህሉ ጠሊቡ። ኣብ ሙኒክ ጀርመን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ድሕነት ዋዕላ መደረ ዘስምዐ ዛከርበርግ፡ ንቻይና ብምጥቃስ፡ ሕሉፍ ምቁጽጻር ርእስኻ ናይ ምግላጽ መሰል ውልቀሰባት ክጥሕስ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ። ኣብ ልዕሊ ከም ፌስቡክ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኩባንያታት ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ንምምሕልላፍ ናይ ሓሶት ሓበሬታ፡ መግትኢ ክገብሩ ዝጠልብ ጸቕጢ እናሓየለ ይመጽእ ኣሎ። ብፍላይ ፌስቡክ በቲ ናይ ፖለቲካዊ መወዓውዒ ፖሊሲኡ ክንቀፍ ጸኒሑ እዩ። እቲ ኩባንያ፡ ኣብ 2018 ኣብ ኣሜሪካ፡ ኣብ ዝቐጸለ ዓመት ድማ ኣብ መላእ ዓለም፡ ንፖለቲካዊ መወዓውዒ ዝምልከት ሓደስቲ ፖሊሲ ኣተኣታትዩ እዩ። እቲ መምርሒ ዝኾነ ፖለቲካዊ መወዓውዒ ብመን ከም ዝተመወለ ክገልጽ ዘገድድን ዝኾነ ሰብ ክርእዮ ምስ ዝደሊ፡ ፈቲሹ ክረኽቦ ኣብ ዝኽእል ኩነት ንሸውዓተ መዓልቲ ክጸንሕ ዝገብር እዩ። እንተኾነ ግና ፌስቡክ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ በከዋኽብቲ ፌስቡክ ዝቐርብ፡ ዝተመወለ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ፡ ኣብ ማዕከኑ ከምዘየካትት ሓቢሩ። ብመሰረት ፖሊሲ ናጽነት ምዝራብ ፌስቡክ፡ ብፖለቲከኛታት ዝቐርቡ ትሕዝቶታት'ውን ወትሩ ሓቅነቶም ኣይፍተሽን እዩ። ዛከርበርግ ነቲ መምርሒታት ከም ዝድግፎ'ውን ኣብቲ ዋዕላ ተዛሪቡ። \"ናይ ውልቂ ትካላት ሚዛን ማሕበራዊ ምቕሊት ንምሕላው፡ ብዘይ ተወሳኺ ደሞክራስያዊ መስርሕ፡ ብዙሕ ውሳነታት ክወስዱ ኣይንደልን ኢና\" ኢሉ። \" መንግስታት ንማሕበራዊ መራኸቢታት ሓድሽ ናይ ምቁጽጻር ኣገባብ ክፈጥሩ እቲ መስራቲ ፌስቡክ ጸዊዑ። \"ከምዚ ዓይነት ናይ ምቁጽጻር ኣገባብ ኣብ ዘይህልወሉ፡ ንሕና ዝከኣለና ምግባር ክንቅጽል ኢና\" ድማ ኢሉ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51522165"} {"headline":"ማሕበራዊ ሚድያ፡ ቲክቶክ ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ናይ ህጻናት'ዮም ዝበሎም ሕሳባት ዓጽዩ","content":"ቲክቶክ: ኣብ ቀዳማይ ርብዒ እዚ ዓመት ናይ ትሕቲ ዕድመ'ዮም ዝበሎም ኣስታት 7.3 ሚልዮን ሕሳባት [ኣካውንት] ዓጽዩ። እዚ ሓጸርቲ ቪድዮታት ዝዝርግሕ ቲክቶክ ዝተብሃለ መተግበሪ፡ እቲ ዝኣለዮ ሒሳባት 1 ሚኢታዊት ካብ ጠቅላላ ተጠቀምቱ ጥራይ ከምዝኾነ'ዩ ዝሕብር። ቲክቶክ፡ ካብ 13 ዓመት ንላዕሊ ዕድሚኦም ክጥቀምሉ ዝኽእሉ መተግብሪ ኮይኑ፡ ብኮተቴታት ኣዝዩ ፍቱው እዩ። ቲክቶክ ክንድዚ ብዝሑ ሒሳባት ብሓደ ግዜ ክዓጹ እዚ ናይ መጀመርትኡ እዩ። ትካል ቲክቶክ፡ እቲ ምዕጻው ሕሳባት ናይ ትሕቲ ዕድመ \"ብመዳይ ተሓታትነትን ግሉጽነትን\" ነቲ ትካል ዝያዳ ድርዒ ዝፈጥር ከምዝኾነ'ዩ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ። ኣብቲ ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት'ውን ሰፊሮም ነይሮም፤ • 61,951,327 ንሕጊ ቲክቶክ ዝጠሓሱ ተንቀሳቓሲ ምስልታት ተደምሲሶም። • 82% ሚኢታዊት ካብቶም ዝተደምሰሱ ተንቀሳቓሲ ምስልታት ዝኾነ ሰብ ከይርኣዮም እንከሎ ዝተደምሰሱ ክኾኑ እንከለዉ፡ 91 ሚኢታዊት ካብ ተዓዘብቲ ጥርዓን ከይበጽሐ እንከሎ ዝተደምሱሱ'ዮም፤ 93 ሚኢታዊት ኸኣ ኣብ ቲክቶክ ምስ ተጸዓኑ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ዝተኣለዩ እዮም። • 1,921,900 መወዓዊዒታት ሕግታት ናይ ቲክቶክ ዝጠሓሱ'ዮም ተባሂሎም ተኣልዮም። • ብሓፈሻ ምስ ናይ ትሕቲ ዕድመ ሓዊስካ 11,149,514 ሒሳባት ንሕጊ ቲክቶክ ጥሒሶም ዝተባሃሉ ሕሳባት ጠቕሊሎም ተዓጽዮም ኣለዉ። ቲክቶክ ንትሕቲ ዕድመ ክከላኸል ይኽእል እዩ ዝበሎ ብዙሕ ሓደሽቲ ሕግታት ከምዘተኣታተወ'ዩ ዝገልጽ ዘሎ። ብመሰረት እዚ ሕጂ ወጺኡ ዘሎ ሓዲሽ ሕጊ፡ ትሕቲ 16 ዓመቶም ተጠቀምቲ ቲክቶክ ኣብ ኣጠቓቅማ ናይ ጽሑፍን ናይ ቪድዮን መልእኽቲ ከምኡ'ውን ኣብ ቲክቶክ ዝልጥፍዎ ተንቀሳቃሲ ምስልታት ዝድርት ሕጊ ኣተኣታትዩ ኣሎ። ሓላፊ እምነትን ድሕነትን [trust and safety] ቲክቶክ ኮርማን ከናን \"እዚ ዝወሰድናዮ ስጉምቲ ንህጻናት ንምክልኻል ዘለና ተበግሶ ዘጉልሕ'ዩ፡ ካብዚ ኣሊናዮ ዘለና ሕሳባት እቲ ዝበዝሓ ናይ ትሕቲ ዕድም'ዩ ነይሩ\" ድሕሪ ምባል \"ቲክቶክ ን13 ዓመቶምን ልዕሊኡን ከምዝኸውን ገይርና ኣመቻቺእናዮ ኣለና\" ኢሉ። እዚ ዓርሞሽሽ ቻይናዊ ትካል፡ ምስ ተጠቃምነት ትሕቲ ዕድመ ተታሓሒዙ ብዙሕ ነቀፌታታት ክውሕዞ ጸኒሑ'ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኒውዮርክ ታይምስ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ኣመሪካ ካብቶም ተጠቀምቲ ቲክቶክ እቶም ሓደ መሰለስ [ሲሶ] ዕድሚኦም ትሕቲ 14 ዓመት ምዃኑ'ዩ ኣቃሊዑ። ደራሲ ቲክቶክ ቡም ዝተብሃለት መጽሓፍ ክሪስ ስቶከል ዎከር \"ሓደ ካብ ብድሆታት ናይ ቲክቶክ ኣብ ምልልላይ ቅኑዕ ዕድመ ተጠቀምቱ'ዩ\" ይብል። ብምስዓብ \" ንዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ዕድመ ዝብል ዝተወለድካሉ ዕለት፡ ወርሒ ዓመተ ምህረት ትምዝግበ፡ እቱ ቅኑዕ ዕድሜኻ ብዘየገድስ፡ ዓመትካ ልዕሊ 13 ጌርካ ትመልኦ ሕሳብ ናይ ቲክቶክ ይህልወካ፡ ነዚ ንምቅራፍ እቲ ትካል ዝተራቐቐ ኣገባብ ከተኣታቱ ከምዝነበሮ ዝሰሓት ኣይኮነን\" ይብል። ቲክቶክ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰነዳት ተጠቀመቱ'ውን ክንቀፍ ጸኒሑ'ዩ። ኣብ ዓባይ ብርጣንያን ሕብረት ኣውሮጳን ንሚልዮናት ህጻናት ዝወከለ ንኣተዓቓቕባ ሰነዳት ተጠቀምቲ ዝምልከት ክሲ ቀሪብሉ ነይሩ፡ ቲክቶክ ብወገኑ 'መሰረት ዘይብሉ ክሲ'ዩ\" ብምባል ነቲ ክሲ ክቃለሶ ምኳኑ ገሊጹ ነይሩ። ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት'ውን ጓል 10 ዓመት ጣልያናዊት ህጻን ኣብ ቲክቶክ፡ ብተጠቀምቲ ዝግበር ዝነበረ በዳሂ ውድድር እናተወዳደረት እንከላ ህይወታ ስለዝሓለፈ ቲክቶክ ሕሳባት ትሕቲ ዕድመ ክዓጹ ዓቢ ጎስጓስ ክካየድ ጸኒሑ'ዩ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57676039"} {"headline":"ቴክኖሎጂ፡ ኣብ ድሕሪ ቕዲ ኢሞጂታት ዘለው ብዙሕ ዘይፍለጡ ታሪኻት ደቂ ሰባት","content":"መዓልታዊ ኣብ እትለዋወጡዎም መልእኽታት ጽሑፍ ዝተፈላለየ ቅርጺ ዘለዎም ኢሞጂታት ትጥቀሙ እንዲኹም? እዚኦም ስቕ ኢሎም ምስቲ ዝምዕብል ዘሎ ቴክኖሎጂ ብዝተኣሳሰር ጥራሕ ዝመጽኡ ክመስለና ይኽእል። እንተኾነ ኻልእ ሸነኽ ሰባዊ ዛንታ ዝቛጸሩ'ዮም። \"ኣቦይ ዝጻወቶም ሙዚቃታት ንዓለም ዘነቓቕሕ መልእኽቲ ዝሓዙ'ዮም\" ይብል ሙዚቀኛ ሬጌ ኣንድሪው ቶሽ። ካብ ጃማይካ ኪንግስተን ኢና ኣዛሪብናዮ። ኣቡኡ'ውን ሙዚቀኛ ሬጌ ነይሩ፤ ፒተር ቶሽ ትፈልጡዎ ትኾኑ። ንሱ ሓደ ካብቶም ምስ ፍሉጥ ሙዚቀኛ ሬጌ ቦብ ማርሊን ባኒ ዋይለርን ብምዃን ብ1960ታት ባንድ ሙዚቃ 'ዌይለርስ' ዝመስረቱ'ዩ። እቲ ባንድ ሰለስቲኦም'ዮም መስሪቶምዎ። እቲ ዘሕዝን ናይ ፒተር ቶሽ መወዳእታ ጽቡቕ ኣይነበረን። ኣብ 1980ታት ኣዝዩ ብዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ተቐቲሉ። ይኹን'ምበር ውርሻ ሙዚቃን ፖለቲካን ገዲፉ'ዩ ሓሊፉ። ሕጂ ሞባይል ስልክኹም ከፊትኩም ናይ 'ምዝንባይ' [levitating] ኢሞጂ እንተኣሊሽኩም፡ ሓደ ጽሩይ ጸሊም ባድላ [ሱፍ] ተኸዲኑ ከራባት ኣሲሩ፣ ባርኔጣ ገይሩ ጸለል ዝበለ ንኡሽቶ ሰብኣይ ክመጽኣልኩም እዩ። ንሱ ፒተር ቶሽ'ዩ፤ እቲ ሙዚቀኛ ሬጌ ዝበልናኩም። ኒያምቤ ማኪንቶሽ ከኣ ጓሉ'ያ። ናቱ ዝኾነ ንብረት ዋላ ሓደ ከይትንክፎ ትሕሉ ኣላ። ውርሻ ወላዲኣ፡ ፍትሕን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ዝጠልብ ስለ ዝኾነ ናቱ ስራሕቲ ከተቐጽሎም ምኽኣላ ሓበን ከም ዝስምዓ ትገልጽ። \"ሰባት ክለሃዩ ጥራሕ ኣይኮነን ዝደሊ፤ እኳ ድኣ ኣብ ውሽጢ ናይ ባዕሎም ፖለቲካዊ ንቕሓት ኮይኖም ክለሃዩ'ዩ ዝደሊ\" ትብል። ሃንደበት ኣቡኣ ዘንቲእለት ኣብ ዝነብር ኢሞጂ ምህላዩ ኣብ ዝፈለጠትሉ ግዜ ግን ብኣግራሞት ስሒቓ። \"ኣይፈልጥን፤ ግን እቲ ስእሊ ቦብ፣ ባኒን ኣቦይን ባላ ተኸዲኖም ምዃኑ ይፈልጥ'የ\" ኢላ። እዚ፡ ንሓዋ ኣንድሪው'ውን ሃንደበት'ዩ ኮይኑዎ፤ 'surprise' ኮይኑ 😁። \"ኦኦኦ! ይገርም!\" ኢሉ። \"እቲ ስእሊ ይፈልጦ'የ፤ መንእሰይ ፒተር ቶሽ\" ኢሉ ብስሓቕ። ስለዚ፡ እዚ ዕንቊ ሙዚቃ ሬጌ ከመይ ኢሉ ኣብ ኢሞጂ ኣትዩ? ታሪኽ ኣብ ኪቦርድ ዘየለው ምልክታት [Web(dings)] እምብኣር፡ እዚ ታሪኽ ካብ ጃማይካ ኪንግስተን ናብታ ዝናብ ዝበዝሓ ግዝኣት ኣመሪካ ዝኾነት ሲያትል ክወስደና'ዩ። ብቐንዱ ከኣ ኣብ 1990ታት ማእከል ማይክሮሶፍት ዝነበሩ ቦታታት። እዚ ኣብቲ ግዜ፡ እዚ ብሕታዊ ጀማሪ ሰውራ ኮምፒዩተር'ዩ ነይሩ። ታይፖግራፈር ቪንሰንት ኮናሪ ከኣ ሓደሽቲ 'ፎንት' ይሰርሕ ነበረ። ንሱ ነቶም ኣብ ኪቦርድ ዘየለው ምልክታት ብስእሊ ዝግለጽ ቅዲ ጽሑፍ ምስ ኣውጽኣሎም ኣብ ተግባር ውዒሉ። ኮናሪ፡ ናይ ብሓቂ ፈታዊ ሙዚቃ'ዩ፤ ብፍላይ ንሳካ። ሓደ ካብቶም ዝፈትዎም ባንድታት ሙዚቃ ንኢንግሊሽ ሳካ ዝነሓንሖ ባንዲ 'ዘ-ስፔሻልስ' እዩ። እዚኦም፡ ብ2 Tone Records ዝፍለጡ ጉጅለ ሙዚቃ ኣብ ሓደ ናይ ቀደም ስእሊ ዌይሌርስ ዝተሞርኮሰ ኣርማ [ሎጎ] ነይሩዎ። ኣብዚ ስእሊ፡ ፒተር ቶሽ ሑቖ ንሑቐ ቦብ ጠጠው ኢሉ ይርኣይ፤ ቶሽ ጸሊም ባላ ተኸዲኑ፣ መነጸር ገይሩ ከራባት ኣሲሩ ኣሎ። ዲዛይነር [ክኢላ ቅዲ] 2 Tone Records ነዚ ስእሊ ከም መበገሲ ወሲዱ። ኮናሪ'ውን ድሕሪ 20 ዓመታት ነቶም ኣብ ኪቦርድ ዘየለው ምልክታት ብስእሊ ዝግለጽ ቅዲ ጽሑፍ ክሰርሕ እንከሎ ነዚ ኣርማ ተጠቒሙ። ኣብቲ ንሱ ዝሰርሖ፡ እቲ ባድላ ዝተኸድነ ሰብ ክዘልል [ካብ መሬት ቁሩብ ሓፍ ኢሉ] ይርኣይ። እዚ፡ ካብ ሓደ ገጽ ናብ ካልእ ገጽ ንዝግበር 'ዝላ' ንምውካል ክውዕል ይስትውዓል። ድሕሪ ዓመታት፡ ብዙሓት ምልክታት 'ዌብዲንግስ' ከም ኢሞጂ ኮይኖም ከገልግሉ ጀሚሮም። በዚ መሰረት ድማ ኣብ ዘመነዎት ስልክታትን ካልኦት ቴክኖሎጂካዊ ስረሓትን ብብዝሒ ተዘርጊሖም። ድሕሪኡ ኮናሪ ካልኦት ብዙሓት ምልክታት ቐሪጹ። \"ንርኢ'ሞ እቲ ዝርኣናዮ ኢና ንስእሎ\" ይብል ብኣግራሞት ውርሻ እቶም ዝስኣአሎም ምልክታት እናሓሰበ። ኢሞጂታት፡ ኣብ ኣገልግሎት ንክውዕሉ ኣብ ሲልከን ቫሊ ብዝርከብ ጉጅለ ዩኒኮድ ክጸድቁ ይግበር። ንዪይንግን ካልኦት ከምኣ ዝበላ ክኢላታትን መበገሲ ሓሳበን ኣብ ኢሞጂ ምእታው ሓደ ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ። ኣብ ሻንጋይ ዝተወለደት ክኢላ ቅዲ [ዲዛይነር] ዪይንግ ብዙሓት ኣብ ኪቦርድ ዝኣትው ፕሮፖዛላት ነይሮምዋ። ኢሞጂታት ቻይናውያን መግቢ ንምብላዕ ዝጥቀሙ ዕንጸይቲ [ቾፕስቲክ]፣ መጥቀሲ መግቢ [takeaway box]፣ ዓፍራ፣ ሻሂ መውሰዲ ኣቕሓ [boba tea] ንሳ እያ ሰሪሓቶም። እዚኦም \"ነጸብራቕ መንነት እታ ኣብ ኣመሪካ እትነብር ቻይናዊት'ዮም\" ብምባል ከኣ ትገልጾም። ትርጉም ምልክታት ምፍላጥም ባህሊ ሰባት ምግፋሕን ከኣ ባህ ኢሉዋ እትሰርሖም ስረሓት እዮም። ይኹን'ምበር ትርጉም ሓደ ኣብ ቴሌፎንና ዝርከብ ኢሞጂ፡ ንባህሊ ዓዳ ዝገልጽ ኣይኮነን። ፒኮክ። ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ ሓደ ኮንፈረንስ ኢሞጂ ምስ ኣይሬን ቾ ዝተባህለት ኮርያዊት-ኣመሪካዊት ክኢላ ማርኬቲንግ ተራኺባ። ንሳ ኣብ ሆሊውድን ኣብ ሳንፍራንሲስኮ ኣብ ዝርከብ 'ቡርማ ላቭ' ዝተባህለ ሬስቶራንትን ሰሪሓ'ያ። እዚ ሬስቶራንት ጥልፊ ዝመስል ምስሊ ፒኮክ ዝጸበቐ ስለ ዝነበረ፡ ዪይንግ ስለ ምንታይ'ዩ ከምኡ ኾይኑ ክትብል ትግረም ነይራ። ፒኮክ ኣብ ባህሊ ቡርሜስ [ማያንማር] ፍሉጥ ምልክት ምዃኑ ምስ ፈለጠት፡ ክልቲአን ሓደ መዓልቲ ፒኮክ ኣብ ኢሞጂ ዝካተተሉ ቅጥዒ ሒዘን ክመጽኣ ወሲሰን። ግዜ ከይወሰዳ ተግባራዊ ገይረንኦ። ዪይንግ ቅዲ እታ ፒኮክ ክትሰርሕ እንከላ ኣይሬን ከኣ ነቲ ፕሮፖዛል ጽሒፋቶ። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ እቲ ነዞም ኢሞጂታት ዘጽድቕ ዩኒኮድ ፒኮክ ኣብ መስርዕ ሕሩያት ከም ዝኣተወ ኣፍሊጡ። ዪይንግ እዚ ብስራት ክትነግራ ናብ ኣይሬን ክትድውል እንከላ መልሲ የለን። \"መልእኽቲ ይጽሕፈላ ነይረ፤ እቲ ባህግና 'ጋህዲ ይኸውን ኣሎ!' ኢለ ጽሒፈላ። ግን ካብኣ መልሲ ኣይረኸብኩን\"። ድሕሪ ሓደ ዓመት ይኸውን ዪይንግ ናብቲ ኣብ ሳንፍራንሲስኮ ዝርከብ ሬስቶራንት ከይዳ ድሃያ ትሓትት። ብጣዕሚ ብዘሰንብድ ኣይሬን ምዕጋት ዝውውር ደም ብዘስዓቦ ወቕዒ ልቢ ምሟታ እያ ሰሚዓ። ኣይሬን፡ ናብ ቡርማ ክትጉዓዝ ኣብ እትዳለወሉ ግዜ ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ሕማም ብምዃኑ ስድራቤታን መሓዙታን ሰንቢዶም'ዮም። እዚ እቲ ዝሰርሕኦ ኢሞጂ ኣብ መስርዕ ሕጹያት ኣብ ዝኣተወሉ ተመሳሳሊ ወርሒ'ዩ ኣጋጢሙዋ። ብዙሓት ኣዕርኽታ ግን ብዛዕባ እዚ ኢሞጂ ዝፈልጡዎ ኣይነበረን። ብሩክ ሎ፡ ናይ ቐረባ መሓዝኣ እያ። እቲ ኣብ ቴሌፎና ዘሎ ንኡሽቶ ምስሊ ፒኮክ መሓዝኣ ዝሰርሐቶ ምዃኑ ክንነግራ እንከለና ብኣግራሞት \"ዳርጋ ካብ መንግስተ ሰማያት ዝቐረበ ሰላምታ\" ኢላትና። \"ሰላም! ሕጂ'ውን ኣለኹ'የ፤ ሞት እንተኾነ'ውን ኣይፈልየናን ትብል ዘለና እዩ ዝመስል\" ኢላ። ኢሞጂታት ወትሩ ኣብ ቴሌፎንና ስለ ዘለው ቀልድን ነቶም እንጽሕፎም መልእኽታት ሓውሲ ምዝንጋዕ ክውሰኾም ዝተዳለው ይመስለና ይኸውን። ንብሩክ፣ ዪይንግን ካልኦት ብዙሓትን ግን ልዕሊኡ'ዮም። ብሩክ፡ \"ኣይሬን በዚ ክትሕበን ነይራ'ያ፤ ምኽንያቱ ትርአዪ ምህላውኪ ንምርኣይ ዝሕግዙ ነገራት ኣገደስቲ'ዮም\" ትብል። ዪይንግ'ውን በዚ ትሰማማዕ። \"እዚ ዛንታ ብምክፋለይ ሕጉስቲ'የ\" ትብል ብኹርዓት ንመሓዝኣ እናዘከረት።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58287091"} {"headline":"ኣውስትራልያ ጉግልን ፌስቡክን ንዜና ክኸፍሉ ዘገድድ ሕጊ ኣጽዲቓ","content":"ኣውስትራልያ፡ ፌስቡክን ጉግልን ኣብ መድረኻቶም ንዝዝርጋሕ ዜና ክኸፍሉ ዘገድድ ፈላማይ ዓለምለኻዊ ሕጊ ኣጽዲቓ። ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ሕጊ ክረቅቕ እንከሎ፡ ፌስቡክ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ተጠቀምቲ ዜና ከም ዘይርእዩን ከም ዘይዝርግሐዑን ገይሩዎ ነይሩ። እቲ ዝረቐቐ ሕጊ ቁሩብ ምምሕያሽ ተገይርሉ ፌስቡክን ጉግልን በቲ ሕጊ ንከይቕየዱ ዝገብሩ ምምሕያሻት ተገይሩሉ ክጸድቕ እንከሎ፡ ሕጂ'ውን ግን እቶም ዓበይቲ ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ ኣመሪካ ንውሳነ መንግስቲ እታ ሃገር ተቓዊሞም ኣለው። እንተኾነ፡ ክልቲኦም ኩባኒያታት ንገለ ዓበይቲ ሓተምቲ ዜና ኣውስትራሊያ ልዑል ገንዘብ ክኸፍሉ ቃል ኣትዮም። እዚ ስምምዕ ከም መዋገዪ ከም ዝርእዩዎ ድማ ገሊጾም። እዚ ኣውስትራልያ ኣጽዲቓቶ ዘላ ሕጊ፡ ካልኦት ሃገራት'ውን ተመሳሳሊ መምርሒ ብምጥቃም ኣብ ኢንተርነት ብዝጥቅዑ ዜናታት ዕድል ስራሕ ክፈጥራሉ ክሕግዝ'ዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር። እንተኾነ፡ ፌስቡክን ጉግልን ኢንተርነት ከመይ ከም ዝሰርሕ \"መሰረታዊ\" ናይ ርድኢት ጸገም ኣሎ ይብሉ። ኩባኒያታት ቴክኖሎጅን ትካላት ዜናን ኣብ ሞንጎኦም ውዕሊ ክፍሊት ክህሉ ክሰማምዑ ኣለዎም። እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ጉዳይ ብዘይሻራዊ ዳንነት ተራእዩ ይፍታሕ። ብተወሳኺ እቶም ኩባኒያተት ቴክኖሎጂ ናይ ኣልጎሪዝም ለውጢ ክገብሩ እንከለው ነቶም ሓተምቲ ዜና ከፍልጡዎም እቲ ሕጊ የገድድ። ይኹን'ምበር እዚ ዝተመሓየሸ ሕጊ መንግስቲ እቶም መተግበሪታት ንጋዜጠኝነት ዘለዎም ኣበርክቶ ኣብ ግምት ከእቱ የገድዶ። እዚ ማለት፡ ፌስቡክን ጉግልን እቲ ናይ ሽምግልና መስርሕ ሙሉእ ንሙሉእ ክሰግሩዎ ይኽእሉ'ዮም። ብተወሳኺ መንግስቲ ነቲ ሕጊ ተጠቒሙ ነቶም ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ ክሓቶም እንተኾይኑ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ከፍልጦም ኣለዎ። ፌስቡክን ጉግልን ግን ሰባት ብቐሊሉ ዜና ክረኽቡ ኢና ንሕግዝ ብምባል፡ መንግስቲ ኣውስትራሊያ ነቲ ሕጊ ከመሓይሾ ሓቲቶም። ጉግል እቲ ዜና ናይ መአለሺ ሞተር ካብ ኣውስትራሊያ ከውጽኦ ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፡ ኣብ ቀረባ ግን ምስ ናይ ኢንተርተይንመንትን ሰቨን ዌስት ሚዲያን ዝርከቡዎም ናይታ ሃገር ሚዲያታት ስምምዕ 47 ሚሊየን ዶላር ፈሪሙ። ብሰሉስ፡ ፌስቡክ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ተጠቀምቲ ዜና ከይርእዩን ከይጥቅዑን ዘሕለፎ ስጉምቲ ኽልከላ ከም ዘልዕሎ'ኳ እንተገለጸ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ድረ ገጽ ዜና ኣውስትራሊያ ኣይሰርሕን። ብኻልእ ወገን ምስ ሰቨን ዌስት ሚዲያ ሓደ ስምመዕ ክገብር እንከሎ፡ ምስ ካልኦት ጉጅለታት ዜና ውስትራሊያ'ውን ኣብ ዝርርብ ይርከብ። ክልቲኦም ኩባኒያታት ኣብ ዝቕጽል ሰለስተ ዓመታት ብደረጃ ዓለም ኣብ ኢንዳስትሪ ዜና ዓለም ነፍሲ ወከፍ ሓደ ቢሊየን ዶላር ሰሊዖም ኣለው።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-56165084"} {"headline":"ኢንስታግራም፡ 'ኣካውንት' ናይ'ታ ናይ ዓለምና ፈጣን ጓል ኣንስተይቲ ተሸላሚት ወርቂ ዓጽዩ","content":"ኢንስታግራም፡ ናይታ ናይ ዓለምና ፈጣን ጓል ኣንስተይቲ ኣትሌት ተሸላሚት ወርቂ ሜዳልያ ዝኾነት ኣትሌት ኢሌን ቶምፕሶን -ሄራህ፡ መጥቀሚ ኣካውንታ ብጌጋ ከም ዝዓጸዮ ኣፍሊጡ። ቶምሶን-ሄራህ፡ ኣብ ውድድር 100ን 200 ሜትሮታት ጉያ ተዓዋቲት ምዃና ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣብ ኢንስታግራም ኣካውንታ ኣካፊላ ነይራ። ወናኒ ኢንስታግራም ኩባኒያ ፌስቡክ ግን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብቲ 'ብጌጋ እዩ' ዝብል ምኽንያት ዝተውሃቦ ስጉምቲ፡ ኣካውንት ናይታ ብልጽቲ ጎያዪት ዓጽዩ [ብሎክ] ነይሩ። እታ ናይ ዓለምና ፈጣን ጎያዪት ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ኣካውንታ ከም ዝተኸፍተ ተፈሊጡ። ኢንስታግራም፡ ካብ ወነንቶም ዘይፍለጡ ምስልታት ብዝምልከት ኣዝዩ ብርቱዕ ሕጊ 'መሰል ሕታም' እዩ ዝኽተል ተባሂሉ። ቶምፕሶን-ሄራህ ኣብ ትዊተር ናይ ኢንስታግራም ገጻ ከም ዝተዓጽወ ኣፍሊጣ ነይራ። እቲ ስጉምቲ 'ነቲ ምስሊ ናይ ምልጣፍ መሰል የብልክን' ብዝብል ምኽንያት ዝተወስደ ከም ዝኾነ ሓቢራ። ወሃቢ ቃል ፌስቡክ፡ ንወኪል ዜና ሮይተርስ ከም ዝበሎ እቲ ትሕዝቶ ካብ'ቲ ገጽ ተኣልዩ እናሃለወ፡ መሊስካ ናይታ ኣትሌት ኣካውንት ምዕጻው ግን ግቡእ ኣይነበረን ኢሉ። ዓለምለኸ ኮሚቴ ኦሎምፒክ (IOC)፡ ናይቲ ኣብ ኦሎምፒክ ውድድር ዝምልከት ኮነ ስነ-ስርዓት ሽልማት ዘርኢ ምስሊ ኣብ ኦንላይን ከይልጥፉ ዝኽልክል መምርሒ ኣለዎ። ንሱ ንሮይተርስ ከም ዝበሎ፡ ናይቲ ውድድር ምስልታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምልጣፍ ሓዊሱ፡ ብሕታዊ መሰል ዋንነት ዘለዎም ናይ ሚድያ ትካላት ከም ዘለዉ ተገሊጹ። ይኹን'ምበር፡ ኣትሌታት ነቶም ኣሳእልን ምስልታትን ካብዞም ዋንነት ዘለዎም ሚድያታት ተቐቢሎም፡ ናብ ውልቃዊ ገጻቶም ከካፍሉ ይፍቀደሎም እዩ-ኢሉ። ዝኾነ ይኹን ነዚ ሕጊ ዝጥሕስ ትሕዝቶ እንትልጠፍ ግን ክእለ ይኽእል እዩ። እታ ኣትሌት ነቲ ምስሊ ካበይ ረኪባ ከም ዝለጠፈቶ ዛጊድ ኣይተነጸረን። ዓለምለኸ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኣብ 2018 ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ፒዮንግንቻንግን ጸወታታት ቶኪዮን ሓዊሱ ክቕበሎ ዝግባእ ልዕሊ 4 ቢልዮን ዶላር ኣለዎ። ኣብዝሓ እቲ ኣታዊ ድማ፡ ተመሊሱ ነቶም ውድድራትን ነቶም ኣትሌታትን ንምድጋፍ ከም ዝውዕል ተገሊጹ። ቶምፕሶን ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ፡ ኣብ ውድድራት ጉያ 100ን 200ን ሜትሮታት ብምዕዋት ናይ ዓለም ክብረ ወሰን ኣመዝጊባ ኣላ። ነቲ 200 ሜትሮ ጉያ ንምውዳእ፡ 21.53 ሰከንድ ዝወሰደላ ኾይኑ፡ ካብታ ብቕድሚኣ ነቲ ክብረ ወሰን ንነዊሕ እዋን ሒዛቶ ዝጸንሓትኣትሌት፡ ብ0.19 ሰከንድ በሊጻ ከምዝኣተወት ተፈሊጡ። ቶምፕሶን-ሄራህ፡ ጽባሕ ዓርቢ ኣብ 4x100 ሜትሮ ናይ መወዳእታ ውድድራ ከተካይድ ምዃና ድማ ተገሊጹ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58071065"} {"headline":"ፌስቡክ ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ህጻናት ዘብጸሖ ጽልዋ ዝምልከት ሕቶ ቀሪብዎ","content":"ፌስቡክ፡ ኢንስታግራም ዝተባህለ ማሕበራዊ መተግበሪኡ ንመንእሰያት ‘‘ብኣወንታ ሓጊዙ እዩ’’ ብምባል ኣብ ልዕሊ ምህርቲታቱ ዝቐረበ ክሲ ተኸላኺሉ፡፡ ሓላፊት ዓለም ለኻዊ ድሕነት ፌስቡክ ኣንቲገን ዳቪስ፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ቅድሚ ሰኔት ኣመሪካ ቀሪባ ሓለዋ ህጻናት ብዝምልከት ቃላ ሂባ ኣላ፡፡ ንሳ ኢንስታግራም ባዕሉ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ህጻናት ጉድኣት የብጽሕ ከምዘሎ ዘመልክት ውጽኢት ልሒኹ ምስወጸ እያ ናብ ሰኔት ቀሪባ መልሲ ክትህብ ተገይራ። ቅድም ክብል ሓላፊ ኢንታግራም ኣዳም ሞሰሪ፡ እቲ መተግበሪ ኣብ ጥዕና ወርጠበታት ወይ ኣፍላ መንእሰያት ዘብጸሖ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ‘‘ኣዝዩ ንእሽቶ’’ ከምዝኾነ ገሊጹ ነይሩ፡፡ እቲ ኮሚቴ ነቲ ኣብ ዎል ስትሪት ጆርናል ዝወጸን ባዕሉ ፌስቡክ ዘካየዶን፡ ኢንስታግራም መንእሰያት ንባዕሎም ኣብ ዘለዎም ኣመለኻኽታን ንነብሶም ዝህብዎ ክብርን ኣሉታዊ ጸቕጢ ክፈጥር ከምዝኸእል ዝገልጽ መጽናዕቲ መሰረት ገይሩ እዩ ነቲ ሕቶ ኣቕሪቡ፡፡ ወርጠበታት ‘‘ኢንስታግራም ሻቕሎትን ጭንቀትን ወሲኹልና ኢሎም ይወቕሱ’’ ይብል፡፡ ኣንቲገን ዳቪስ ግና እቲ መጽናዕቲ ነቲ መተግበሪ ንምምሕያሽ ዓሊሙ ዝተኻየደ ከምዝኾነ እያ ትገልጽ፡፡ ፌስቡክ ‘‘ ካብ ጥዕና ኣእምሮ ደቅና ዝያዳ ዕብየት ምህርቲታቱ ከምዘገድሶ ፈሊጥና ኢና’’ ዝበለ ኣባል እቲ ሰኔት ሪቻርድ ብሉመንታል ግና እቲ ትካል ንባዕሉ ተሓታቲ ከምዘይገበረ ብምግላጽ ድሕሪ ሕዚ ክኣምንዎ ከምዝጽገሙ ወቒሱ፡፡ እታ ሓላፊት እውን ካብቲ ኮሚቴ ንዝቐረቡላ መብዛሕተኦም ሕቶታት ግቡእ መልሲ ክትህብ ኣይተርኣየትን፡፡ ሓላፊት መጽናዕቲ ፌስቡክ ፕራቲቲ ረይቾድሃሪ ድማ ‘‘ እቲ መጽናዕቲ ኢንስታግራም ንኣባጽሕ ደቂ ኣንስትዮ ‘መርዛም’ ከምዝኾነ የመልክት ዝብል ሓሳብ ልክዕ ኣይኮነን’’ ክትብል ንጸብጻብ ዎል ስትሪት ጆርናል ተቓዊማ፡፡ ሓንቲ ካብ ሰለስተ ኣብ ነብሰን ጽቡቕ ኣመለኻኽታ ዘይነበረን ኣባጽሕ ደቂ ኣንስትዮ፡ ነዚ ጸገመን ኢንስታግራም ከምዘጋደዶ ምግላጸን ግን ፌስቡክ ኣሚኑ እዩ፡፡ ካብዚ ወጻእ ግን ካልኦት ጸገማት ከምዘይብሉ እዩ እቲ ትካል ዝምጉት፡፡ ኢንታግራም ኣብዚ ዓመት ክጅምሮ ተሊሙ ዝነበረ ካብ 13 ዓመት ንታሕቲ ንዘለዉ ህጻናት ዝኸውን መተግበሪኡ ንካልእ እዋን ኣናዊሕዎ እዩ፡፡","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58779900"} {"headline":"ኢንተርኔት ኣፍሪቃ፡ ኣየኖት ሃገራት ኣፍሪቃ እየን ኣገልግሎት ኢንተርኔት ዝዓጽዋ?","content":"ምቁራጽ ማሕበራዊ መራኸብታት ፌስቡክ፣ ትዊተር ወይ ዋትሳፕ ኣብ ውሽጢ ሃገራት ኣፍሪቃ ልሙድ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። እዚ ዝኸውን ከኣ መንግስታት እተን ሃገራት ኮነ ኢሎም ኣገልግሎት ኢንተርኔት ወይ ነቶም ማሕበራዊ መራኸብታት ብምዕጻዎም እዩ። ሎሚ ሓሙስ 14 ጥሪ 2021 መረጻ ክተካይድ ዘላ ኡጋንዳ ኣብ ቀረባ ነቲ ተግባር ካብ ዝፈጸማ ሃገራት ኮይና ትጥቀስ። ተጣበቕቲ መሰላት ዲጂታል ኣገልግሎታት እዚ ተግባር ምምያ ምዃኑ ይገልጽዎ። መንግስታት ግን ጸጥታ ንምውሓስ ዝውሰድ ስጉምቲ ይብልዎ። መንግስቲ ንኣቕረብቲ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ትእዛዝ ብምሃብ ተጠቀምቲ እቲ ኣገልግሎት ክቋረጾም ወይ ክዕጸዎም ክገብር ይኽእል። ዝበዝሕ እዋን ነቶም ብዙሓት ሰባት ዝጥቀሙሎም ማሕበራዊ መራኸብታት'ዮም ክዕጸዉ ዝገብሩ። መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ዝለዓለ ውሳነ ክበጽሑ ከለዉ ድማ እቶም ኣቕረብቲ ንኣገልግሎት ኢንተርኔት ምሉእ ብምሉእ ክዓጽውዎ ይእዝዝዎም። ኣየኖት ሃገራት እየን ነቲ ኣገልግሎት ዝዓጽዋ ኣለዋ? ኣብ ኣፍሪቃ ዝፍጸም ምቁራጽ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ልሙድ እናኾነን እናወሰኸን ይመጽእ ኣሎ። ኡጋንዳ - ኣቕረብቲ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ንኹሎም ማሕበራዊ መራኸብታትን መልእኽቲ ንምጽሕሓፍ ዘገልግሉ መተግበርታትን ክዓጽዉ ከምዝኣዘዘት ይፍለጥ። ቅድሚ ሎሚ'ውን እንተኾነ ተጠቀምቲ በቶም መተግበሪታትን ማሕበራዊ ገጻትን ክጥቀሙ ይጽገሙ ምንባሮም ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም። ታንዛንያ - ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ዘካየደቶ መረጻ ኣገልግሎት ኢንተርኔትን መተግበሪታት ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዓጽያ ነይራ። ኢትዮጵያ - ንቕትለት ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ንሓደ ወርሒ ዝጸንሐ ምዕጻው ኢንተርኔት ኣጋጢሙ ምንባሩ ይዝከር። ዚምባብወ፣ ቶጎ፣ ቡሩንዲ፣ ቻድ፣ ማሊን ጊኒን ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎታት ኢንተርኔትን መተግበሪታት ማሕበራዊ መራኸብታትን ክዕጾ ገይረን። ኣብ 2019 ጥራይ ብኽፋል ወይ ምሉእ ምቁራጽ ኢንተርኔት 25 ጊዜ ተመዝጊቡ። ኣብ 2018 ን 20 ጊዜ ከምኡ'ውን ኣብ 2017 ን 12 ጊዜ ምቁርራጽ ከምዝተመዝገበ ጸብጻብ 'ኣክሰስ ናው' ዝተበሃለ ዘይመንግስታዊ ጉጅለ የመልክት። ዘይመንግስታዊ ትካል ከምዝብሎ፡ ቤኒን፣ ጋቦን፣ ኤርትራ፣ ላይበሪያ፣ ማላዊ፣ ሞሪታኒያን ዚምባብወን እውን በዚ ተግባር ከምዝግለጻ ሓቢሩ'ሎ። እዚ ተግባር ኣብ ምሉእ ዓለም እናወሰኸ ይመጽእ ከምዘሎ ዝገልጽ እቲ ጉጅለ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንገለ ከባቢ ወይ ጉጅለታት ዝዓለመ ምቁራጽ ኣገልግሎት ኣብ ዝግበረሉ እዋን እቲ ሃሰያ ግን ኣብ ምሉእ ሃገር ከምዝኸውን ኣረዲኡ። ኣብ 2019 ካብ ዘጋጠሙ 25 ምዕጻው ኣገልግሎት እቶም 21 ንምሉእ ወይ ንዝበዝሕ ክፋል እተን ሃገራት ዝጸለዉ ነይሮም። ኢትዮጵያን ሱዳንን ጥራይ ንገለ ክፋል ዘነጻጸረ ምዕጻው ገይረን ምንባረን እቲ ጉጅለ ይሕብር። \"እዚ ከኣ እቶም ዘጋጥሙ ምዕጻው ኣገልግሎት ብቑጽሪ ጥራሕ ይውስኹ ኣለዉ ማለት ዘይኮነስ ብመጠን እናሰፍሑን ንብዙሕ ህዝቢ ኣፍሪቃ ይጸልዉን ከምዘለዉ የርኢ\" ይብል ዘይመንግስታዊ ጉጅለ። ኣብ ኩለን ሃገራት ዝርከባ ወሃብቲ ኣገልግሎት ነዚ ዘቕርብኦ ኣገልግሎት ከቋርጻ መምርሒ ዝወሃበን ካብ መንግስታት ከምዝኾነ ይፍለጥ።። እቲ ሓደ መዓጸዊ መገዲ ከኣ ን ዩኣርኤል [URL] መሰረት ዝገብር ምዕጻው'ዩ። እዚ መገዲ ሰባት ንገለ ዝተኣገዱ ገጻት ከይረኽብዎም ዘጻሪ እዩ። ነዞም ገጻት ክረኽቡ ዝፍትኑ ሰባት 'ሰርቨር ኖት ፋውንድ' [\"server not found\"] ወይ ድማ 'እዚ ገጽ ብተቖጻጻሪ ኔትወርክ ተዓጽዩ'ሎ' [\"this site has been blocked by the network administrator\"] ዝብል መልእኽቲ ይበጽሖም። እቲ ካልእ መገዲ ከኣ 'ትሮትሊንግ' [throttling] ማለት ንዋሕዚ ምቁጽጻር ብዝብል ይፍለጥ። እዚ ሜላ ናብቶም ሰባት ክበጽሕዎም ዘይተደለዩ ገጻት ዝህሉ ዋሕዚ ተጠቀምቲ ክንኪ ዝግበረሉ እዩ። ተጠቀምቲ ነቲ ገጽ ክኸፍቱ ከለዉ ቀልጢፉ ከይመጽእ ብምግባር ወይ ብምድኻም ከይጥቀምዎ ይገብር። በዚ ምኽንያት ከኣ ሰባት፡ እቲ ገጽ ኢንተርኔት ስለዝደኸመ ድዩ ቀልጢፉ ዘይከፍተሎም ዘሎ ወይስ ኮነ ተባሂሉ ክዳኸም ስለዝተገበረ ንዝብል ክግንዘቡ ኣይክእሉን። ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ከኣ እቶም ወሃብቲ ኣገልግሎት ምሉእ ንምሉእ ነዚ ዝህብዎ ኣገልግሎት ክዓጽውዎ ዝግበረሉ መገዲ እዩ። መንግስታት ኣብ ኢንተርኔት ምምያ ንምክያድ ዝህልዎም ዕድል ምስቲ ነቶም ናይ ቴሌኮምዩኒኬሽን ኩባንያታት ንምቁጽጻር ዘለዎም ዓቕሚ ዝተሓሓዝ ይኸውን። ትካላት ኣገልግሎት ኢንተርኔት ፍቓድ ስራሕ ዝወሃቦም ብመንግስታት ስለዝኾነ ቕጽዓትን ምፍራስ ውዕልን ከየጋጥሞም ክሰግኡ ግድን'ዩ። እቶም ኩባንያታት ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ክወስድዎ'ኳ ዕድል እንተሃለዎም ነዚ ዝገብሩ ግን ውሑዳት እዮም። ኣብ 2019 ቤት ፍርዲ ዚምባብወ መንግስቲ ኢንተርኔት ንኽዕጾ ዝሃቦ ትእዛዝ ውድቂ ብምግባር ናብ ኣገልግሎት ክምለስ ውሳነ ኣሕሊፉ ምንባሩ ይዝከር። ናይዚ ግብረመልሲ ድማ መንግስቲ ንኣግልግሎት ኢንተርኔት ምቁጽጻር ዘኽእሉ ሓድሽ መምርሒ ኣተኣታትዩ። ኣብ ገለ ሃገራት ከኣ እቲ ኣገልግሎት ዝደኸመ ምዃኑ ብምግላጽ ነቶም ኩባንያታት ክዓጽዉ ዝደልዩ መንግስታት ይረኣዩ። ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት ቴሌኮምዩኒኬሽን ብመንግስቲ ዝወነነለን ሃገራት ኢንተርኔት ምዕጻው ብቐሊሉ ዝፍጸም ተግባር ከምዝኾነ ኣብ ኣፍሪቃ ዞባዊ ዳይሬክተር 'ኢንተርኔት ሶሳይቲ' ዳዊት በቀለ የረድእ። ኣገልግሎት ኢንተርኔት መሊኡ እንተዘይዓጽዩ ሰባት ነቶም ብኽፊል ዝተዓጸዉ ሰጊሮም ኢንተርኔት ክጥወሙ ዝኽእሉሎም ኣማራጽታት ግን ኣለዉ። ሓደ ካብቶም ኣማራጽታት ከኣ እቲ ኣዝዩ ፍሉጥ ዝኾነ ሜላ 'ቪፒኤን' [ቨርቹዋል ፕራይቬት ኔትወርክ] እዩ። እዚ ሜላ ድማ እቶም ኣገልግሎት ወሃብቲ ኣብቶም ዝድለዩ ገጻት ወይ መተግበሪታት ንዝገብርዎ ገደብ ጥሒስካ ብምእታው ብሕቡእ እትጥቀመሉ እዩ። መንግስታት ንቪፒኤን ክዓጽውዎ ክእለት እንተሃለዎም'ኳ፤ ሓቢሮምዎም ዝሰርሑ ናይ ደገ ዲፕሎማሰኛታትን ዓበይቲ ኩባንያታትን እውን ክጽለዉ ስለዝኽእሉ ግን ነዚ ክገብሩ ኣይመርጹን። ገለ መንግስታት ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ ኣገልግሎታት ዝዓጽዉሉ ምኽንያት ከቕርቡ ከለዉ \"ስኑዓት ዜናታት\" ንምቁጽጻር ይብሉ። ፍሉጣት ተንተንትን ተቓወምቲን ግን መንግስቲ ነዚ ኣማራጺ ዝወስድ ንመንግስቲ ዝቃወሙ ጉጅለታት ኣብ ዝህልዉሉ እዋን ንምቁጽጻር ዝውሰድ ስጉምቲ ከምዝኾነ ይገልጹ። እዚ ድማ ብፍላይ ኣብ ዋትሳፕን ፌስቡክን ብብዝሒ ከምዘነጻጸር የረድኡ። \"መንግስታት ኣብ እዋን መረጻን ብድሕሪኡን ኢንተርኔት ክዓጽዉ ዝደልዩሉ ምኽንያት ንተቓውሞታት ብምስጋእ እዩ\" ይብል ዳዊት በቀለ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-55657757"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ፈይስቡክ ሰራሕተኛታቱ ናብ ቦታ ስራሕ ክምለሱ የገድድ ኣሎ ዝብል ክሲ ቀሪቡሉ","content":"ኣብ ዙርያ ዓለም ዝርከቡ ልዕሊ 200 ሰራሕተኛታት ፈይስቡክ፡ መልከፍቲ ኮሮናቫየረስ ብዘየገድስ: ብፍላይ ነቶም ንትሕዝቶ ዝመምዩ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ናብ ቤት ጽሕፈት ክምለሱ የገድድ ከምዘሎ ከሲሶም፡፡ እቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ኣብ ዝዘርግሕዎ ቅሉዕ ደብዳበ፡ እቲ ትካል መኽሰባቱ ንምዕቃብ ሰራሕተኛታቱ ‘‘ንዘየድልይ ሓደጋ’’ የሳጥሕ ከምዘሎ ገሊጾም፡፡ ብተወሳኺ ፈይስቡክ፡ ሰራሕተኛታቱ ካብ ቤት ጽሕፈት ርሒቖም ክሰርሑ ዘኽእል ምምሕያሽ ክገብርን ከም ኣብ ከቢድ ኩነታት ንዝሰርሑ ሰባት ዝኽፈል ክፍሊት ክህብን እቶም ሰራሕተኛታት ሓቲቶም፡፡ ፈይስቡክ መብዛሕተኦም ትሕዝቶ ዝግምግሙ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ይሰርሑ ከምዘለዉ ይገልጽ፡፡ ‘‘ውሽጣዊ ምርድዳእ ከምዘድልየና ንኣምን ኢና፤ እንተኾነ ኣብ ሓቂ ዝተመስረተ ክኸውን ኣለዎ’’ ዝበለ ወሃቢ ቃል እቲ ትካል፡ ካብቶም ኣስታት 15 ሽሕ ዝኾኑ ገምገምቲ ትሕዝቶ እቲ ትካል እቶም ዝበዝሑ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ይሰርሑ ከምዘለዉን፡ እቲ ለበዳ ክሳብ ዘይጠፍአ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ምስራሕ ከምዝቕጽሉን ተዛሪቡ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ፡ ፈይስቡክ ሰራሐተኛታቱ ክሳብ ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ 2021 ክረምቲ: ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክሰርሑ ከምዝኽእሉ ገሊጹ ነይሩ፡፡ እቲ ትካል ሕጊ ዝጥሕሱ ልጣፋት ኣብ ዝቆጻጸሩን ንካልኦት ትካላት እውን ኣብ ዝሰርሑን ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ዝተመርኮሰ እዩ፡፡ ፌስቡክ ነቶም ጸገም ዘለዎም ልጣፋት ንምልላይ ሰብ ሰርሖ ብልሒ ንምጥቃም ዝነበሮ ውጥን ከይተዓወተ ምስ ተረፈ ናብ ቤት ጽሕፈት ክኣትው የገድዶም ከም ዘሎ እቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ዝዘርግሕዎ ደብዳበ ሓቢሮም። እቶም ትሕዝቶ ዝቆጻጸሩ ሰራሕተኛታት ንኣዋርሕ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክሰርሑ ተፈቒዱሎም ከምዝነበረ ዝገለጹ ኮይኖም፡ ፈይስቡክ ካብ ናይ ጽልኣት ዘረባን ስኑዕ ሓበሬታን ንምክልኻል ብዝተፈጠረ ጸቕጢ ናብ ስራሕ ቦተኦም ክምለሱ ከምዝተገደዱ ገሊጾም፡፡ ‘‘ፈይስቡክ ይደልየና እዩ፤ ነዚ ዘፍለጥኩምናን ንስራሕና ዋጋ ዝሃብኩምሉን እዋን እዩ፡፡ ንከስቢ ተባሂሉ ጥዕናናን ድሕነትናን መስዋእቲ ምግባር ዘይግቡእ እዩ’’ ኢሎም፡፡","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54998817"} {"headline":"ፌስቡክ ስም ፐረዚደንት ቻይና 'ብቴክኒካዊ ጸገማት' ኣገጋግዩ ከምዝተርጎሞ ሓቢሩ","content":"ፌስቡክ ስም ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ፡ ካብ በርማ ናብ እንግሊዝኛ ንዝተተርጎመሉ ጽዩፍ ቃል ይቅሬታ ሓቲቱ። እቲ ዝተጋገየ ትርጉም፡ ፕረዚደንት ዢ ኣብ ሚያንማር ዑደት የካይድ ኣብ ዝርከበሉ እዋን እዩ ዝተፈጠረ። ትማሊ ቀዳም፡ ክልተኣዊ ርክብ ንምጥንኻር፡ ዢ ምስ መራሒት ሚያንማር ኦውንግ ሳን ሱ ኪ ተራኺቡ ነይሩ። ብዛዕባ እቲ ዑደት ድማ ብቋንቋ በርማ ዝተጸሓፈ ሓበሬታ ኣብ ፌስቡክ ተጠቂዑ። ሽዑ ስም ፕረዚደንት ዢ ኣጸያፊ ብዝኾነ ቃል ብጌጋ ተተርጒሙ። ሚስተር ዢ [Mr. Xi] ዝብል ስም ናብ ሚስተር ረሳሕ ወይ ጓሓፍ [Mr. Shithole] ብዝብል ኣብ ፌስቡክ ተተርጒሙ'ዩ። ኣብ ብዙሓት ገጻት'ውን ተዘርጊሑ። ፌስቡክ ነዚ ኣመልኪቱ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ክስተት 'ብቴክኒካዊ ጸገም' ከምዝተፈጠረ ሓቢሩ። \"ነቲ ካብ በርማ ናብ እንግሊዝኛ ዝተዛብዐ ትርጉም ክፍጠር ዝገበረ ቴክኒካዊ ጸገም ፈቲሕናዮ ኣለና\" ኢሉ ወሃቢቓል ፌስቡክ ኣንዲ ስቶን። \"ክፍጠር ኣይምተገብኦን፤ መሊሱ ንኸይፍጠር'ውን ንሰርሕ ኣለና\" ክብል'ውን ወሲኹ ገሊጹ። በርማ ኣብ ሚያንማር ዝዝረብ ሃገራዊ ቋንቋ ኮይኑ፡ ብክልተ ሲሶ ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ይዝረብ። ፌስቡክ ስም ፕረዚደንት ዢ ናብቲ ቋንቋ በርማ ናብ እንግሊዝኛ ዝትርጉም ዳታቤዝ ኣትዩ ዘይምንባሩ ኣፍሊጡ'ሎ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51167512"} {"headline":"ሰራሐተኛ ኩባንያ ኣፕል ናይ ሓንቲ ዓሚል ምስጢራዊ ስእሊ ናብ ባዕሉ ልኢኹ","content":"እዚ 'ብጣዕሚ ምስጢራዊ' ስእሊ ናይ ሓንቲ ዓሚል ኣፕል ፡ ዝተበላሸወ ስክሪን ሞባይላ ንክዕረየላ ምስ ወሰደቶ እዩ ተላኢኹ ዝረኸበቶ። ግሎርያ ፈዌንትስ ትበሃል። ዝተበላሸወ ቴሌፎና ንክዕረየላ ኣብ ካሊፎርንያ ናብ ዝርከብ ሓደ ዓብዪ ናይ ኣፕል መጸገኒ ሹቕ ወሲዳቶ። ናብቲ እንዳጸጋኒ ቅድሚ ምውሳዳ፡ ዝተወሰኑ ምስጢራዊ ዳታ ካብ ቴሌፎና ኣልጊሳ ነይራ ። እንተኾነ ንሳ፡ እቲ ሰራሕተኛ ሓደ ብጣዕሚ ምስጢራውን ውልቃውን ስእላ ብመንገዲ ፌስ ቡክ ናብ ባዕሉ ከምዝለኣኾ ኣረጋጊጻ። እዚ ዛንታ መጀመርታ ኣብ ዋሺንግተን ፖስት እዩ ወጺኡ ነይሩ። ብርግጽ ንሳ ከም እትብሎ፡ ብፍላይ ምስ ገንዘብን ባንክን ዝተኣሳሰሩ ምስጢራዊ 'ዳታ' ክተልግስ ፈቲና እያ። \"እቶም ምስልታተይ እንተኾኑ'ውን ኩሎም ክኣልዮም ፈቲነ ነይረ እየ። እንተኾነ ሰዓት ቆጸሮኺ 'ይሓልፈኪ'ሎ' ኢሎም ደጋጊሞም የጨንቑኒ ስለዝነበሩ እየ ሃጺጸ ጎየ ኸይደ\" ኢላ። እቲ ነቲ ዝተበላሸወ 'ስክሪን' ዘዐረየ ሰራሕተኛ፡ ደጋጊሙ ምስጢራዊ 'ኮድ' ቁጽሪ ከምዝሓተታ ተዛሪባ። እንተኾነ ሞባይላ ኣጸጊና ንገዛኣ ምስተመለሰት፡ ምስጢራዊ እትብሎ ስእላ ናብ ዝኾነ ዘይትፈልጦ ቁጽሪ ተላኢኹ ረኸበቶ። \"እቲ ሰራሕተኛ ስእልታተይ ኩሎም ሪኡዎም እዩ። እዚ ምስጢራዊ ዝኾነ ንኣፍቃርየይ ክሰዶ ዝተልዓልክዎ ስእሊ ድማ መሪጹ ናብ ባዕሉ ልኢኹ\" ኢላ። እቲ ምሒር ዘጉሀያ ግን እቲ ስእሊ ኣበይ ቦታ ከምዝተልዓለ ዝገልጽ ብምዃኑ፡ ንሳ ኣበይ ከምእትነብር ምፍላጡ እዩ። \"እዚ ምስፈለጥኩ ብጣዕሚ እየ ሓዚነ፡ ብዙሕ ድማ በኽየ\" ኢላ። እታ በዓልቲ ዛንታ፡ ናብቲ ሱቕ ተመሊሳ እንተሓተተት'ኳ፡ እቲ ሰራሕተኛ እቲ ስእሊ ብኸመይ ከምዝተልኣኸ ኣይፈለጥኩን ኢሉ። ኩባንያ ኣፕል ነታ ዓሚል እቲ ጉዳይ መሊሳ ሒዛቶ ስለዝመጸት ኣመስጊኑ እቲ ዘጓነፋ ጉዳይ ከጻርይ ፈቲኑ። ንዋሺንግተን ፖስት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ድማ፡ ኩባንያ ኣፕል ጥቡቕ ዝኾነ ፖሊሲ እንተሃለዎ'ኳ፡ እቲ ነዚ ዝፈጸመ ሰራሕተኛ ኣባል ኩባንይኡ ከምዘይኮነ ገሊጹ። \"እቲ ሰራሕተኛ ሕዚ ምሳና የለን\" ዝብል ምላሽ ሂቡ። እታ ዓሚል ግና እቲ ሰራሕተኛ፡ ግቡእ ቅጽዓት ክረክብ ኣለዎ በሃሊት እያ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50415026"} {"headline":"\"ዝኾነ መጸዋዕታ ኣይሃቡንን፡ ተጨውየ እየ ከይደ\" ዘፀኣት ሴቭ ዓድና","content":"ዘፀኣት ሴቭ ዓድና ብዝብል ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝነጥፍን ህወሓትን መንግስትን ብምንቃፍ ዝፍለጥ እዩ\/ ከምኡ ድማ: መስራትን ኣቦ መንበርን ሲቪላዊ ማሕበረሰብ 'ሰብ ሕድሪ' እዩ። ዘፀኣት ትኽለኛ ስሙ ዶ\/ር ጎይቶኦም ኣርጋዊ ኾይኑ: ትማሊ ኣብ መቐለ ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ኣውዒሉዎ ነይሩ። ንምንታይን ብኸመይን ዝብል ኣዛሪብናዮ ኣለና። ብኸመይ ኢኻ ኢኻ ተኣሲርካ?ኣብ ሃጸ ዩውሃንስ ሆቴል ምስ ብዓልቲ ቤተይ ነይርና። ናብ ደገ ምስ ወጻእኩ ፖሊስ መጺኦም ብሕጊ ትድለ ኣለኻ 'ሕለፍ' ኢሎሙኒ፡ እዚ ክገብሩ እንከልዉ ዝኾነ ናይ ፖሊስ መጸዋዕታ ኣይነበሮምን። ብዓልቲ ቤተይ እውን መጺኣ ሓቲታቶ፡ 'መጸዋዕታ እንተሃልይኩም ሃቡና ምስ በልናዮም' ድሕሪ ክንደይ ሕቶ ሂቦሙና። ኣብቲ መጻዋዕታ ዕለት 26 ሰዓት ሰዓት 4 ቅረብ እዩ ዝብል፡ እዚ መጸዋዕታ እዚ ኸኣ ከምቲ ግቡእ ናባይ እዩ ክበጽሕ ነይርዎ፡ ኣብዚ ዕለትን ሰዓትን ናብዚ ምጻእ ክብሃል ነይሩኒ። እንተኾነ ንዓይ ዝኾነ መጸዋዕታ ኣይሃቡንን፡ ቃል ብቃሉ ተጨውየ እየ ከይደ። ናብ መደበር ፖሊስ ጣብያ ሓድነት ወሲዶሙኒ። መኪና ነይራትኒ ብናተይ መኪና ንኺድ ኢለዮም። ብዝሖም ድማ ክልተ እዮም ነይሮም፡።እቲ ሳልሳዮም ነታ ሒዛቶም ዝመጽአት መኪና ሒዙ ከይዱ። ሓቲቶሙኒ፤ ዝኾነ ካልእ ኣካላዊ ጉድኣት ግን ኣየውሮዱለይን፡ ብዛዕባ ኣብ መቐለ ዘሎ 'ሃንግ' [ኣባላት ማእኸላይ ኮሚተ ተዘሪፎም ዝብል] ዝጸሓፍካዮ እቲ ሓበሬታ መን እዩ ሂቡካ? ዕላማኻኸ እንታይ እዩ? ኣብቲ ዝጸሓፍካዮ ንፖሊስ ወቂስካና፡ ህዝቢ ኣብ ፖሊስ እምነት ከየሕድር ተዛሪብካ ዝብል እዩ፡ ከፊትካ ኣርእየና ኢሎሙኒ ከፊተ ኣርእየዮም። ኣነ ኸኣ ዓላማይ እሱ ኣይኮነን:: \"እዚ ከምዚ ዓይነት ገበን እናሰፈሐ ከይዱ ካብ ወልቀ ሰባት ሓሊፉ ትካላት እውን ይጥቅዓ ኣለዋ:: ስለዚ መንግስቲ ትኹረት ይግበረሉ ዝብል እዩ ነይሩ እምበር ካልእ መልእኽቲ የብሉን፡ ዕላማይ ኸኣ እዚ እዩ ነይሩ\" ኢለዮም። ኣብዚ ዓዲ ሰባት መዓልታዊ እዮም ንበረቶም ዝስረቑን ኣካላዊ መጉዳእቲ ዝበጽሖምን፡ ጥርጡራት ዝርከብሉ ግን ውሑድ እዩ፡ ስለዚ ፖሊስ ብሓይሊ ሰብ ይጠናኸር ጥርጡራት ኸኣ ይተሓዙ ዝብል መልእኽቲ እየ ኣሕሊፈ ኢለዮም። ከምዚ እዩ ነይሩ። ምእሳር ኣይኮነን፡ ኣብቲ እንዳ ፖሊስ እዮም ኮፍ ኣቢሎሙኒ፡ ምስኦም ኸኣ ንሽዱሽተ ሰዓታት ጸኒሐ፡ እቲ ሓበሬታ ዝሃበኒ ሙለር ዝብሃል ዓርከይ ምዃኑ ሓበሬታ ስለዝነበሮም ንዕኡ እውን ጸዊዐሞ፡ እታ ዝነበረት ነገረ ነጊርዎም፡ እታ ካብ ኣካላት ጸጥታ ዝሰመዓን እታ ነዓይ ዝነገረንን ነጊርዎም፡ ንዓኣይ ሰዓት ሽዱሽት (ፍርቂ ለይቲ) ፈቲሖሙኒ ንዕኡ ግን ኣሕዲረሞ። ሎሚ ንግሆ ክንሓተካ ደሊና ኣለና ምጻእ ኢሎሙኒ፡ ሞባይለይ ምስኦም እያ ሓዲራ፡ ክፍትሽዋ እዮም ሓዲሮም፡ ኩሉ እቲ ኣብታ ሞባይል ዝነበረ ሓበሬታ ፈቲሾሞ እዮም። ኣገዲዶሙኒ። እታ ፓስዎርድ ናይታ ተሌፎን ሓቢረዮም እየ፡ እንተኣቢኻ'ውን ክስዕብ ዝኽእል ፍሉጥ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ከይሃርሙኒ ኢለ ፓስዎር ናይ ተሌፎነይ ሓቢረዮም። ዋላ ሓንቲ ስግኣት የብለይን፡ ናይ ውልቀ ሰብ ተሌፎን ምፍታሽ ግን ሕጋዊ ኣይኮነን፡ ምናልባት እታ ዘጸውዓትኒ ጽሕፍቲ ክርእይዋ ይኽእሉ እዮም ካልእ ግን ግቡእ ኣይኮነን። ክሳብ 4 ሰዓትን ፈረቓን ኣብኡ ጸኒሐ፡ ሓደ ዓርከይ ታሴርኡ ኣትሒዙ ብዋሕስ ወጺአ ንሙለር ግን ደሃዩ ክሓቱ ዝመጽኡ ክልተ ድዮም ሰለስተ ኣሕዋቱ እውን ተኣሲሮም ሓዲሮም:: ሕዚ ተፈtሖም እዮም!","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52549690"} {"headline":"ኢትየጵያ ምስ ፌስቡክ ዝመሳሰል ማሕበራዊ መራኸቢ ክትኸፍት ምዃና ኣፍሊጣ","content":"ኢትዮጵያ ንፌስቡክ ብምትካእ ኣብታ ሃገር ዘገልግል መድረኽ ማሕበራዊ መራኸቢ ናብ ኣገልግሎት ክተብቅዕ ምዃና ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕነትን ኢትዮጵያ [ኢንሳ] ኣፍሊጡ። ምስ ኣል-ኣይን ዝተባሃለ ማዕኸን ዜና ቃለመሕትት ዘካየደ ዳይሬክተር እቲ ትካል፤ ኢትዮጵያ ናብዚ ውሳነ ዝበጽሐት ከም ፌስቡክ ዝበሉ ኩባንያታት “ኣንጸር ረብሓታት እታ ሃገር ይሰርሑ ብምህላዎም’ዩ” ኢሉ። ዳይሬክተር ኢንሳ ኣይተ ሹመቴ ግዛው፤ ፌስቡክን ትዊተርን ንፖለቲካዊ ሓይልታት ከም መሳርሒ ኮይኖም የገልግሉ ምህላዎም ነቲ ማዕኸን ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓሳብ ገሊጹ። ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ርክብ ኣለዎም ዝተባሃሉ ናይ ማሕበራዊ ርክብ ገጻት [‘ኣካውንትስ’] ከምኡ’ውን ትሕዝቶታት ምዕጻዎም ድማ ነቒፉ። ፌስቡክ፡ ቅድሚ እቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተኻየደ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ፤ ምስቲ ኤጀንሲ ርክብ ኣለዎም ስኑዓት ዝበሎም ገጻት ከምዝዓጸወ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር። ሽዑ ፌስቡክ እዞም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ዝተዓጽዉ ኣካውንታት ኣካየድቱን ተጠቀምቱን ካብ ኢትዮጵያ ከምዝኾኑ ገሊፁ ነይሩ። እቶም ኣካውንታት ሓቅነት ዘይብሎም ሓበሬታ ደጋጊሞም ዘውጽኡን ዘጋገዩን ኾይኖም ብተወሳኺ ምስ ፌዴራል መንግስቲ ኣብ ጎንጺ ዝርከብ ህወሓትን ካልኦት ተቓዋሚ ውድባትን ዒላማ ገይሮም ዝነቕፉ ጽሑፋት የውጽኡ ኢሉዎም። በዚ መሰረት፡ እቲ ዓቢ ማሕበራዊ ሚድያ ብዝወሰዶ ስጉምቲ፡ 65 ናይ ፌስቡክ ኣካውንታት፣ 52 ገጻትን፣ 27 ጉጅለታት ከምኡ'ውን 32 ናይ ኢንስታግራም ኣካውንታት 'ሕገ ስለዝጠሓሱ' ከመዝዓጸዎም ኣፍሊጡ። እዞም ባዕሎም ንባዕሎም ጥቡቕ ምትእስሳራት ዘለዎም ኣካውንታት፤ መበገሲኦም ኢትዮጵያ ኾይኑ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ተጠቀምቲ ዒላማ ዝገበሩን ዝበዘሐ ግዜ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ዝጽሕፉ እዮም ኢሉዎም። ፌስቡክ፡ እቶም ናይ ሕሶት ኣካውንታትን ተጠቀምቶምን ምስ ኢንሳ ቀጥታዊ ዝኾነ ምትእስሳር ዘለዎም ምዃኖም ብምርመራ ከምዝበጽሖ ምግላጹ ይዝከር። ነዚ ስዒቡ ዳይሬክተር ኢንሳ ሎሚ ቕነ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ሃገሩ ሓደሽቲ ማሕበራዊ መራኸብታት ተማዕብልን ገሊኡ ኣብ ፈተነ ከምዘሎን ኣፍሊጡ’ሎ። ብዘይካ’ቲ ንፌስቡክ ዝትክእ መድረኽ ማሕበራዊ መራኸቢ፤ ካልእ ንዋትሳፕ ብምትካእ ዝተፈላለዩ መልእኽትታት ንምልእኣኽ ዘኽእል ከምኡ’ውን ናይ ቪድዮ ኣኼባታት ንምክያድ ዘኽእል ተወሳኺ ኣማራጺ ተማዕብል ምህላዋ እቲ ዳይሬክተር ሓቢሩ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58302344"} {"headline":"ፌስቡክን ትዊተርን ንኣመሪካ ዒላማ ዝገበሩ ‘መርበባት ሩስያ’ ከምዝበተኹ ገሊጾም","content":"ፌስቡክ፡ ብሩስያ ጽልዋ ንምሕዳር ተባሂሎም ዝተኸፈቱ ምንባሮም ዝገለጾም ገጻት ዝሓዘ ሓደ ንእሽቶ መርበብ ከምዝበታተኸ ኣፍሊጡ። እቲ መርበብ፡ ምስ ኤጀንሲ መጽናዕቲ ኢንተርኔት ሩስያ (IRA) ርክብ ዘለዎ ኮይኑ፡ እዚ ኤጀንሲ ድማ፡ ኣብ’ቲ ኣብ 2016 ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ኢድ ብምእታው ክኽሰስ ዝጸንሐ እዩ። ትዊተር’ውን ኣካል ናይ’ቲ መርበብ ዝኾኑ ሓሙሽተ ገጻት ኣጊዱ’ሎ። እቶም ገጻት፡ ‘ፒስዳታ’ ንዝበሃል ብቋንቋ እንግሊዝን ዓረብን ዜና ዘቕርብ ዌብሳይት ማእከሎም ገይሮም እዮም ክሰርሑ ጸኒሖም። እቲ ዌብሳይት ‘ንከስቢ ዘይቆመ’ ኣቕራቢ ዜና ምዃኑ እዩ ክገልጽ ጸኒሑ። ፌስቡክን ትዊተርን ከምዝበልዎ፡ እቲ ብሩስያ ዝተኻየደ ወፍሪ ንእሽቶ ጽልዋ ጥራይ እዩ ነይሩዎ። እዚ ዜና ተሰሚዑ ዘሎ ድማ፡ ኣብ መንጎ ዶናልድ ትራምፕን ጆ ባይደንን ንሕንሕ ዝካየደሉ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ክልተ ወርሒ ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘለሉ እዋን እዩ። ፌስቡክን ትዊተርን ከምዝበልዎ እንተኾይኑ፡ ምስ’ቲ ኣንጻር ግዳማዊ ጽልዋ ዝነጥፍ ናይ ኤፍቢኣይ ክፍሊ ብምትሕብባር እዮም ኣብ ልዕሊ ዌብሳይት ‘ፒስዳታ’ ነዚ ስጉምቲ ወሲዶም ዘለዉ። ‘ፒስዳታ’፤ ጸጋማዊ ናይ ፖለቲካ ዝንባለ ንዘለዎም ሰባት ትሕዝቶ ዝቐርበሉ እዩ ነይሩ። ፌስቡክ ከምዝበሎ፡ ኣብ ኣመሪካ ከምኡ’ውን ኣብ ብሪጣንያን ግብጽን ሓዊሱ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣብ “ኣዘራረብቲ ዛዕባታት” ጽልዋ ንምሕዳር ክሰርሑ ዝጸንሑ 13 ገጻት እዩ ሰሪዙ። እቶም ገጻት፡ ብዙሕ ሰዓቢ ኣይነበሮምን ድማ ተባሂሉ። እቶም ዝተሰረዙ ገጻት፡ ናይ ሓሶት ስምን ስእልን ዝጥቀሙ እዮም ነይሮም ኢሉ ፌስቡክ። እንተኾነ፡ ሓቀኛ ጸሓፍቲ’ውን “ከይፈለጡ” ንዌብሳይት ፒስዳታ ክጽሕፉ ጸኒሖም እዮም ይብል ፌስቡክ። ትዊተር ብወገኑ ድማ፡ ምስ መንግስቲ ምትእስሳር ዘለዎምን ነቲ ማሕበራዊ መራኸቢ መድረኽ ንምምዝማዝ ክሰርሑ ዝጸንሑን ገጻት ከምዝኣገደ እዩ ኣፍሊጡ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-53995139"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ፡ ዩትዩብ ጸረ ክታበት ዝኾኑ ግጉያት ሓበሬታታት ክኣሊ'ዩ","content":"ዩትዩብ፡ ኩሎም ዝጸደቑ ክታበታት ኮሮናቫይረስ ኣመልኪቱ ግጉይ ሓበሬታ ዘመሓላልፉ ዝኾነ ዓይነት ትሕዝቶ ዘለዎም ስረሓት ክኣልዮም ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ። እቶም ፍቓድ ዝተዋህቦም ክታበታት ሓደገኛ'ዮም፣ ኦቲዝም፣ መኻንነት ወይ መንሽሮ ከስዕቡ ይኽእሉ ዝብሉን ካልኦት ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎምን ቪድዮታት ክእለዩ ምዃኖም ሓቢሩ። እዚ መምርሒ ኣካውንታት ኣንጻር ክታበት ዝኾኑ ጸለውቲ ክቋረጽ ዝገብር ምዃኑ ተሓቢሩ። ከም ዩትዩብ ዝበሉ ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ ስኑዕ ሓበሬታ ኣብ ምቅዋም ብዙሕ ብዘይምስርሖም ተነቒፎም'ዮም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፡ ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝዝርግሑ ስኑዓት ሓበሬታታት ብዙሓት ክታበት ኮሮናቫይረስ ንከይወስዱ ምኽንያት ኮይኖም'ዮም ብምባል እቶም ኩባኒያታት ሓላፍነቶም ክዋጽኡ ሓቲቱ ነይሩ። ዩትዩብ ኣብ ልዕሊ ብዛዕባ ክታበት ኮቪድ-19 ግጉይ ሓበሬታ ዘለዎ ትሕዝቶ እገዳ ካብ ዝገብር ንድሓር 130 ሽሕ ቪድዮታት ካብቲ ድረ ገጽ ክእለዩ ገይሩ'ዩ። እዚ ሓድሽ ፖሊሲ፡ ከም ክታበታት ን ሄፓይታተስ ቢን ዝበሉ ካብ ዝጸድቁ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሑ ክታበታት ጠሚቶም ዝስርሑ ምድላዋት'ውን ዘካትት'ዩ። \"ኣብዚ ሕጂ እዋን ብትካል ጥዕና ዓለም ኮነ ሰብ መዚ ጥዕና ድሕነቶም ዝተሓለወን ውጽኢታውነቶም ዝተረጋገጸን ክታበታት ዝምልከት ፖሊሲታት ግጉይ ሓበሬታ ሕክምና ብምስፋሕ ሽፋን ክንህቦም ኢና\" ክብል ዩትዩብ ገሊጹ። ይኹን'ምበር ምስቶም ክታበታት ብዝተሓሓዝ ዝቐርቡ ናይ ውልቂ ምስክርነት፣ ትሕዝቶ ፖሊሲ ክታበት፣ ብዛዕባ ፈተነታት ሓድሽ ክታበት፣ ዓወታት ወይ ውድቀታት ክታበት ዘርእዩ ታሪኻዊ ቪድዮታት ኣብቲ ድረገጽ ክጸንሑ ከም ዝፍቀዶም ኣመልኪቱ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት 2020 ፌስቡክ ክታበታት ውጽኢታዊ ኣይኮኑን ወይ'ውን ኦቲዝም የስዕቡ'ዮም ዝብል ግጉይ ሓበሬታ ዘለዎም ምድላዋት ከም ዝእግድ ክገልጽ እንከሎ፡ ተግባራዊ ንክገብሮ ግን ብዙሓት ማሕለኻታት ከም ዝገጠሞ ሓቢሩ። ብተመሳሳሊ ኣብ ወርሒ መጋቢት ትዊተር'ውን ብዛዕባ ክታበት ብተደጋጋሚ ግጉይ ሓበሬታ ዝወዝዑ ተጠቀምቲ ከም ዝእግዶም ኣፍሊጡ'ዩ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-58730612"} {"headline":"ኢንተርኔት ብምዕጻው ዝፍለጣ ሃገራት ዓለም ክንደይ ዝኣክል ከሲረን?","content":"ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኢንተርኔት ብምዕጻወን ናይ ዝኸሰራ ሃገራት ዝርዝር ዘቕረበ ትካል መጽናዕቲ ኔት ብሎክ፡ ብደረጃ ዓለም 8 ቢልዮን ክሳራ ከምዘጋጠመ ሓቢሩ። ኣብቲ ዓመት ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኢንተርኔት ዝዓጸዋ ሃገራት ቁጽረን ካብ ካልእ እዋናት ዝዛየደ ምዃኑ'ውን ኣፍሊጡ። ብመሰረት ውጽኢት እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት 122 ግዜ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ተቛሪጹ። ብሰዓታት ክግለጽ እንከሎ ከኣ 22 ሽሕ ኮይኑ'ሎ። መንግስታት ናይተን ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተኻተታ ሃገራት፡ ብደረጃ ሃገር ይኹን ክልል፡ ኮነ ኢሎም እቲ ኣገልግሎት ከምዝቋረጽ እዮም ገይሮም። እቲ ኢንተርነት ዘጥፍኡሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ዓማዊል ካብ ፌስቡክን ካልኦት ማሕበራዊ መራኸብታትን ከምዝርሕቑ ንምግባር'ዩ። ፌስቡክ፣ ዋትስኣፕ፣ ትዊተር፣ ዩቲዩብን ካልኦትን እንተተኣገዱ'ኳ ዓማዊል ግን 'ቪፒኤን' እናተጠቐሙ ክረኽብዎም ከምዝኸኣሉ እቲ ትካል ሓቢሩ። መብዛሕቲኦም ምኽንያት ምቁራጽ ኣገልግሎት ድማ ምስ ተቓውሞታትን ዘይምርግጋእን ዝተሓሓዙ ምዃኖም ኣረዲኡ። ሃገራት ማእኸላይ ምብራቅን ሰሜን ኣፍሪቃን ኢንተርኔት ብምዕጻው ኣብ ቅድሚት ይስርዓ። ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ድማ ይስዕበአን። እስያ ኣብ ሳልሳይ፤ ደቡብ ኣሜሪካ ራብዓይ ይርከባ። እቲ ትካል መጽናዕቲ ኢንተርኔት ብምዕጻው ኣብ ዝሰርዐን ሃገራት ንኢትዮጵያ መበል 12 ኣቐሚጥዋ'ሎ። ዚምባብወ፣ ሞሪታኒያ፣ ፓኪስታን፣ ግብፅ፣ ካዛኪስታን፣ ቤኒን፣ ጋቦን፣ ላይቤሪያን ካልኦት ሃገራትን ኣብቲ ዝርዝር ይርከባ። ኤርትራ ድማ ኣብ መበል 20 ተሰሪዓ'ላ። ዋትሳብ እቲ ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ዝተዓጸወ ኮይኑ፤ ፌስቡክ፣ ኢንስታግራም፣ ትዊተርን ዩቱዩብን ብቐደም ሰዓብ ይስርዑ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ን274 ሰዓታት ኣገልግሎት ኤንተርኔት ክቋረጽ ገይራ'ያ። ብፍላይ ኣብ ወርሒ ሰነ [ላዕለዎት ጀነራላትን ሰበስልጣን ክልል ኣምሓራን ኣብ ዝተቐተሉሉ] እቲ ኣገልግሎት ንዝተወሰኑ መዓልታት ምሉእ ብምሉእ ተቛሪጹ ነይሩ። ሃገራዊ ፈተና ኣብ ዝህሉ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር ተቛሪጹ'ዩ። እንተኾነ መንግስትን ኢትዮ-ቴሌኮምን ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃቡን።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-51166091"} {"headline":"ፌስቡክ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምትእስሳር ኣለዎም ዝበሎም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ገጻት ዓጽዩ","content":"ፌስቡክ ሓሶትን ስኑዕ ሓበሬታን ዘቃልሑን ምስ ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታ መንግስቲ ኢትዮጵያ [ኢንሳ] ምትእስሳር ኣለዎም ዝበሎም ገለ 'ኣካውንታት' ከምዝዓጸወ ኣፍሊጡ። ፌስቡክ እዞም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ዝተዓጽዉ ኣካውንታት ኣካየድቱን ተጥቀምቱን ካብ ኢትዮጵያ ከምዝኾኑ ገሊፁ። እቶም ኣካውንታት ሓቅነት ዘይብሎም ሓበሬታ ደጋጊሞም ዘውጽኡን ዘጋገዩን ኾይኖም ብተወሳኺ ምስ ፌዴራል መንግስቲ ኣብ ጎንጺ ዝርከብ ህወሓትን ካልኦት ተቓዋሚ ውድባትን ዒላማ ገይሮም ዝነቕፉ ጽሑፋት የውጽኡ ኢሉዎም። በዚ መሰረት፡ እቲ ዓቢ ማሕበራዊ ሚድያ ብዝወሰዶ ስጉምቲ፡ 65 ናይ ፌስቡክ ኣካውንታት፣ 52 ገጻትን፣ 27 ጉጅለታት ከምኡ'ውን 32 ናይ ኢንስታግራም ኣካውንታት 'ሕገ ደንቢ ስለዝጠሓሱ' ከመዝዓጸዎም ገሊጹ። እዞም ባዕሎም ንባዕሎም ጥቡቕ ምትእስሳራት ዘለዎም ኣካውንታት፤ መበገሲኦም ኢትዮጵያ ኾይኑ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ተጠቀምቲ ዒላማ ዝገበሩን ዝበዘሐየ ግዜ ብኣቋንቋ ኣምሓርኛ ዝጽሕፉ እዮም ኢሉዎም። ፌስቡክ ከምዝብሎ፡ እዞም ናይ ሕሶት ኣካውንታትን ተጠቀምቶምን ምስ ኢንሳ ቀጥታዊ ዝኾነ ምትእስሳር ዘለዎም ምዃኖም ብምርመራ ከምዝበጽሖ ይገልጽ። ፌስቡክ፡ ነቶም ዝጠቐሶም ኣካውንታት ዘውጽእዎ ሓበሬታት ብዘይሻራዊ ኣካል ምስ ኣጻረየ ዘይሓቃዊ፣ ስኑዕን መጋገዪን ኮይኑ ከምዝረኸቦ እዩ ወሲኹ ሓቢሩ። ምስዚ ብምትእስሳር፤ ገለ ኣካውንትታት ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ናይ ስም ምቅይያር ዝገበሩ ኾይኖም፤ ተመሳሰልቲ ትሕዝቶ ዘለዎም መልእኽቲታት ኣብ ተመሳሰሊ እዋን ከወዓውዑ ጸኒሖም ኢሉዎም። ነዞም ኣካውንቲታት ዝውንኑ ሰባት መንነቶምን ምትእስሳራቶምን ክሓብኡ'ኳ እንተፈተኑ፤ ብዝተወደበ መልክዕ ዝንቀሳቐሱን፡ ፌስቡክ ብዘካየዶ መርመራ፡ ምስ ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታ ኢትዮጵያ [ኢንሳ] ጥቡቕ ርክብ ከምዘለዎምን ገሊጹ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሓደ ካብ መስረትትን መራሕትን እቲ ኤጀንሲ'ዩ ነይሩ። እቲ ትካል ኣብታ ሃገር ንዘሎ መርበብ ሓበሬታ ብውሑስ ኣገባብ ንክሰርሕ ዓሊሙ ዝተጣየሰ እዩ። ፌስቡክ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዝመጽእ ሰኑይ ሃገራዊ መረጻ ክተካይድ ኣብ እትዳለወሉ እዋን እዩ እዚ ሓበሬታ ዕላዊ ገይሩ ዘሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነዚ ዝተወሰደ ስጉምቲ ኣመልኪቱ ዛጊት ዝሃቦ ምላሽ የለን። ፌስቡክ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ምስ'ቲ መረጻ ተዛሚዱ ስኑዕ ሓበሬታትን ናይ ጽልኢ ዘረባን ከይቃላሕ ከምዝገብር ኣፍሊጡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ፡ብዝሒ ዘለዎም ተጠቀምቲ ካብ ዝግልገልሎም ማሕበራዊ ሚድያታት፤ ፌስቡክ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-57508052"} {"headline":"ፌስቡክ፡ ስኑዕ ሓበሬታን ናይ ጽላኣት ዘረባን ብኸመይ ይቆጻጸር?","content":"ከም ፌስቡክ ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኣብዚ እዋን ውልቀሰባት ብጽሑፍ፣ ምስልን ስእልን ዝተሰነዩ ዜናታትን መረዳእታታትን ዘሕልፍሉ ዕድል ፈጢሩ እዩ። በዚ ድማ፡ ኣብ ሞንጎ ሃገራትን ኣህጉራትን ብቐሊሉ ሓበሬታታት ክዝርግሑን ናብ ብዙሓት ክበጽሑን ገይሩ። እንተኾነ፡ ብልክዕ እቶም ነዞም መራኸቢ መገዲታት ንፍልጠትን ጽቡቕ ነገራትን ዝጥቀሙሎም፡ ስኑዕ ሓበሬታ፣ ጽላኣት፣ ፍርሕን ጥርጣረን ዝፈጥሩን ንድሕነት ሰባት ሓደገኛ ዝኾኑን መልእኽቲታት ዘመሓላልፉ ጉጅለታትን ውልቀ ሰባትን ብዙሓት እዮም። ነዚ ንምክልኻል ድማ ወነንቲ እዞም ማሕበራዊ ሚድያታት፡ ትካሎም ካብቶም ዘይምዕሩያት መልእኽቲታት ነጻ ንምግባር ናይ ኣጠቓቕማ ደንቢ ኣውጺኦም ክቆጻጸሩዎ ይጽዕሩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ልዕሊ ንድሕነት ሰባት ጎዳእቲ ዝኾኑ ስኑዓትን ናይ ጽላኣት ዘረባታትን ዘቃልሑ ተጠቀምቲ ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት ንምውሳድ ይግደዱ ኣለው። ፌስቡክ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዓለም ብዘጣየሶም ማእከላት ኣቢሉ፡ ስኑዓት ወይድማ ናይ ጽልኣት ዝበሎም ልዕሊ 22 ሚልዮን ሓበሬታታት ኣጥፊኡ እዩ። ንኣብነት ኣብ ኬንያ ብዝርከብ ቤት ጽሕፈት ፌስቡክ፡ ንቋንቋታት ኣምሓርኛን ኦሮምኛን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለየ ቋንቋታት ምብራቕ ኣፍሪካ ይከታተል። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ወርሒ ብውሑድ ሓደ ጊዜ ፌስቡክ ዝጥቀሙ ልዕሊ 6 ሚልዮን ሰባት ከም ዘለዉ ጸብጻብ 'ሪ ኣር ሶሻል'ን ፌስቡክን የመልክት፡፡ ሓላፊት ፖሊሲ ማሕበራዊ ጉዳያት ፌስቡክ ሜርሲ ኢንዴጊዋ ''ኢትዮጵያ ንፌስቡክ ዓብዪ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ዕዳጋ ዘለዋ ሃገር እያ'' ትብል። ፌስቡክ ኣብቲ ከባቢ ብዙሕ ስራሕ ይሰርሕ ከም ዘሎ እትገልጽ ሜርሲ፡ መብዛሕትኦም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ተጠቀምቲ ዜናን ካልኦት ሓበሬታታትን ንምርካብ ናብቲ ገጽ ከም ዝመጽኡ ትዛረብ፡፡ \"ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ተጠቀምቲ ኣብ ናትና ገጽ ግዜኦም ከመይ የሕልፉ? ኢንተርኔት ኣብ ዘይጥቀሙሉ እዋን እንታይ ዓይነት ባህሪ የርእዩ? ኣብ ዝብል እውን ትኹረት ንገብር ኢና'' ኢላ። እዚ ማለት ድማ ናይ ጽላኣት ዘረባ፣ ስኑዕ ሓበሬታን ካልኦትን ንምቁጸጻርን መፍትሒ ንምሃብን ይሰርሑ ከም ዘለዉ ንቢቢሲ ተዛሪባ፡፡ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኖም ዝጥቀሙ ውልቀ ሰባት ዝልጥፉዎም መረዳእታታት ከም ዝተሰረዞም ብተደጋጋሚ ቅርታ የቕርቡ እዮም፡፡ ገሊኦም ፌስቡክ ንሓደ ወገን ጥራሕ ዘገልግል እዩ ኢሎም እንትነቕፉዎ፤ ገሊኦም ድማ ብምኽንያት መንነቶም ትኹረት ኣብ ዓይኒ ከም ዝኣተው ይኣምኑ። ፌስቡክ፡ ብቢልዮን ዝቑጸሩ ስኑዓት ሓበሬታታት፣ ናይ ጽላኣት ዘረባታት ከምኡ እውን መንነት መሰረት ዝገበሩ ሓበሬታታት እንትጥቅዑ ብኸመይ ይቆጻጸሮም? ሓደ ሓበሬታ፡ ብመሰረት ፌስቡክ ዘቐመጦ ማሕበረሰባዊ መለክዒ (ኮሚዩኒቲ ስታንዳርድ) ዝጥሕስ ጽሕፉ እንተኾይኑ፡ ከም ዝስረዝ ኣብቲ ትካል ሓላፊት ጉዳይ ትሕዝቶ (ኮንቴንት ፕሪንሲፕል) ፈድዛይ ማድዚንጊራ ትገልጽ፡፡ እዞም መለክዒታት ኣብ ፌስቡክ ብግልጺ ተቐሚጦም ዝርከቡ ስለዝኾኑ ዝኾነ ሰብ ከንብቦም ከም ዝኽእል እትገልጽ እታ ሓላፊት፡ ዝፍቀዱን ዘይፍቀዱን ነገራት ኣብቲ መተግበሪ ተዘርዚሮም ከም ዘለዉ ትዛረብ፡፡ \"ንሳቶም ድማ ኣብ 26 ዓበይቲ ኣርእስታት ተኸፋፊሎም ዝርከቡ እዮም፤ ክትርእዮም ዝህውኹ (ግራፊክ ኮንቴንት) ክሳብ ናይ ጽልኣት ዘረባ ብዝርዝር ዝሓዘ እዩ። ዕላማ ፖሊሲ ዘረባ ጽልኣት ፌስቡክ ድማ ናይ ሰባት መንነት መሰረት ገይሮም ዝጥቀዕዑ ሓሬታታት ምስራዝ እዩ'' ትብል፡፡ ብተወሳኺ ሰባት፡ ብምኽንያት ብመንነቶም ምፍርራሕ ንከይበጽሖም ንምክልካል ምዃኑ ተረድእ። ሓደ ሓበሬታ ካብ ፌስቡክ ዝእለየሉ ቅድመ ኩነት እንትተብርህ ድማ \"ንኣብት ኣነ ናይ ዙምባብወ ዜጋ እየ፡፡ ሓደ መረዳእታ ኣነ ካብ ዙምባብወ ስለ ዝመጻኹ ወይ ጸላም ስለ ዝኾንኩ፡ ወይ ጓል ኣንስተይቲ ስለ ዝኾንኩ ዘፈራረሐኒ ወይ ወይ ናይ ጽላኣት ዘረባ ዝልጥፍ እንተኾይኑ ይስረዝ'' ትብል፡፡ ዝኾነ ተጠቃሚ ፌስቡክ ብዛዕባ ኣብ ፌስቡክ ዝረኸቦ ዝኾነ ዓይነት ሓበሬታ ሪፖርት ክገብር ይኽእል እዩ። \"መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ከምኡ ክንገብር ከም ዘይንኽእል'ዮም ዝሓስቡ\" ዝበለት እታ ሓላፊት፡ ብዛዕባ ሓደ ሓበሬታ ወይ'ውን ውልቀሰብ ዝምልከቱ ጉዳያት ሪፖርት ምግባር ከም ዝክኣል ትገልጽ። እዚ፡ ብሸነኽ የማን ናብ ዝርከቡ ሰለስተ ነጠብጣባት ብምኻድ ብቐሊሉ ክትኣልዮ ዝከኣል እዩ። እዚኦም፡ ምምልካት ናብ ዝከኣለሎም መስርሓት እዮም ዝወስዱ። ፌስቡክ ድማ በዚ ደረጃ ኣቢሉ ይበጽሖ። እቲ ዝተላእኸለ መረዳእታ ናይ ኮምዩኒቲ ስታንዳርድ ዘየኽብር እንድሕር ኮይኑ ይስረዝ ማለት እዩ። እቲ ዘመልከተ ሰብ ድማ፡ እቲ ሓበሬታ ከም ዝተዘሰረዘ ዝሕብር መልእኽቲ ይበጽሖ። ፌስቡክ ኣብ መላእ ዓለም ስርሖም እዚ ዝኾነ ሰባት 'ሪቪወርስ' ዝተባህለ ጉጅለ ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ ትሕቲ እዚ ጉጅለ 30 ሽሕ ሰራሕተኛታት ኣለው። \"ካብዚኦም ሓደ ሰብ፡ ብዛዕባ ሓደ መረዳእታ ሕቶ ክቐትበሎ ከሎ ምስ ፖሊሲ ስታንዳርድ ኮምዩኒቲ ብምዝማድ እቲ መልእኽቲ ክስረዝ ይገብር\" ትብል ፈድዛይ ማድዚንጊራ። ፌስቡክ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ነዚ ስራሕቲ ዝዓመሉ ቤት ጽሕፈት ኣብ ናይሮቢ ኣለዎ። ተዛረብቲ ቋንቋታት ኣምሓርኛ፣ ኦሮሚኛ፣ ስዋሂሊን ሶማልኛን ዝኾኑ ሰባት ቖጺሩ ድማ ይሰርሕ ኣሎ። ካልእ ተጠቀምቲ ፌስቡክ ዘልዕሉዎ ጉዳይ፡ ኣብ ፌስቡክ ዝጥቃዕ ሓበሬታ ንክስረዝ ብዝሒ ሕቶ ዘቕርቡ ሰባት ኣብ ግምት ብምእታው ድዩ፤ ወይስ ነቲ ሕጊ ዘየኽበረ ጥራሕ ምዃኑ እኹል'ዩ? ዝብል እዩ። ፈድዛይ ማድዚንጊራ ከምዚ ትብል። ገለ ሰባት፡ እዚ ጽሑፍ ከምዚ ዓይነት መልእኽቲ'ዩ ዘለዎ ኢሎም ዋላ ሓደ ስታንዳርድ ኮምዩኒቲ ዘይተመሓላለፈ ጽሑፍ ክስረዝ ሕቶ የቕርቡ እዮም። ምስዚ ብዝተሓሓዝ ሓሓሊፉ ብዙሕ ሪፖርታት ንረክብ ኢና። እዚ ግን ዝልውጦ ነገር የለን። ሓደ ስታንዳርድ ኮምዩኒቲ ዘየኽበረ ጽሑፍ ንክስረዝ ናይ ሓደ ሰብ ሕቶ ጥራሕ እኹል እዩ። ካብዚ ወጻእ ግን፡ ተጠቀምቲ'ውን ጽሑፍኪ\/ ጽሑፍካ ተሰሪዙ ኣሎ ዝብል መልእኽቲ ስለ ዝበጽሖም፡ ናተይ ጽሑፍ ዝጻብኦ ሕጊ የለን ኢሎም ይግባኝ ክብሉ ይኽእሉ እዮም። በዚ ምኽንያት፡ እቲ ጽሑፍ ፌስቡክ መሊሱ ክጥቅዖ ክግደድ ይኽእል እዩ ብማለት ተረድእ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-54535442"} {"headline":"ፈጣሪ የለን ኢልና ኣብ ፌስቡክ ብምጽሓፍና፡ ክንቀትለኩም ኢና ይብሉና'","content":"ሶማልያውያን እዮም፤ ብህላወ ፈጣሪ ኣይኣምኑን። ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ዘመሓድርዎ ናይ ፌስቡክ ጉጅለ ኣለዎም። ኣብዚ ፌስቡኮም፡ ኣብ ልዕሊ እስላማዊ እምነታት ሕብረተሰቦም ሕቶታት እናልዓሉ ይሙግቱ። በዚ ድማ፡ ምፍርራሓትን 'ክንቀትለኩም ኢና' ዝብል መልእኽትታትን ከምዝበጽሖም ይዛረቡ። ኣብ ካናዳ ዝነብር ኣያንሌ ዝበሃል ኣባል ናይዚ ጉጅለ \"ክረኽበካ እየ፤ ክቐትለካ እየ። ክሳድካ እየ ዝቖርጸካ\" ዝብል መፈራርሒ በጺሕዎ እዩ። \"እዚ ልሙድ እዩ\" ይብል፡ ነዚ ናይ ፌስቡክ ገጽ ካብ ዝኸፈትዎ ሓደ ዝኾነ ሶማላዊ። እዚ ናይ ፌስቡክ ጉጅለ፡ ልዕሊ 80,000 ኣባላት ኣለውዎ። እቶም መራሕቲ ድማ መብዛሕተኦም ብህላወ ፈጣሪ ዘይኣምኑን፡ ንርእሶም \"ሙስሊም ነበር\" እናበሉ ዝጽውዑን እዮም። ፈለማ፡ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት ናጻ ዘተታት ንምግባር እዩ እዚ ጉጅለ ተኸፊቱ። ኣብዚ እዋን ግን፡ ንስለ ናጽነት ኣብ ባህሊ ሶማል ተጓኒዮም ዝብሉዎም ኩሎም ጉጅለታት እዮም ዝጉስሱሱ። ኣያንሌ ምሉእ ስሙ ክዛረብ ኣይደለየን፡ እቲ ምንቅስቓስ ከመይ ከምዝጀመረ ግን የብርህ። ኣብ 2016 ኣቢሉ፡ ናጻ ሓሳብካ ክትገልጸሉን ክትካተዓሉን ትኽእል ኢኻ ናብ ዝተብሃሎ ሓደ ናይ ሶማላውያን ገጽ ይኣቱ። \"ናይ ሃይማኖት ዘተ ምስጀመርኩ ኩሎም ተቖጢዖም። ተጸሊሎም። ሰብ ዝቐተልኩ ኮይኑ ክስመዓኒ ገይሮምኒ\" ይብል። ሽዑ ንሽዑ ካብቲ ጉጅለ ኣልዮምዎ። ድሕሪ'ዚ፡ ኣያንሌ ሓድሽ መድረኽ ዘተ ክፈጥር ከምዘለዎ ኣሚኑ። \"እዚ ጉጅለ ድማ ሰባት ድላዮም ሓሳብ ዝገልጽሉ ክኸውን ደልየ\" ይብል። ኣብ ሶማልያ ብዛዕባ ሃይማኖት ዘተ ምግባር ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸበደ ይመጽእ ኣሎ ዝብል እምነት እዩ ዘለዎ። \"እስልምና ዘይትንከፍ እዩ። ብዛዕባ እስልምና ክትነቅፍ ኮነ ክትዛረብ ኣይትኽእልን\" ይብል። \"ሕጂ ግን መናእሰይ እናተቐየሩ ይመጽእ ኣለዉ። ቁሩብ ክትዕን ነቐፌታን ይለምዱ ኣለዉ\" ዝብል እምነት ኣለዎ። \"እንተኾነ፡ እቶም ኣብ ሶማልያ ዓብዮም፡ ኣብ ግዜ ኩናትን ድሕሪኡን ናብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝመጽኡ ሶማላውያን ግና፡ ዝኾነ ሰብ ንእስልምና እንተነቒፉ ክቕተል ኣለዎ ኢሎም እዮም ዝኣምኑ\" ይብል። ነዚ ኸኣ እዩ 'ክንቀትለኩም ኢና' ዝብል መፈራርሕታት ምምጽኡ 'ልሙድ እዩ' ዝብልዎ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-52902238"} {"headline":"ፌስቡክ ዘላለዮ ዲጂታል ገንዘብ ዕንቅፋት የጋጥሞ","content":"ፈይስቡክ ከውጽኦ መዲብዎ ዘሎ ዲጂታላዊ ገንዘብ ዕንቅፋታት የጋጥሞ'ሎ። ትማሊ ሰኑይ ናይ ኣመሪካ ክፍሊ ምምሕዳር ገንዘብ ስቲቭ ማንቺን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዲጂታላዊ ገንዘብ ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ገንዘብን፡ ንገብረሸበራ ዝምውሉ ሰባትን ክጥቅምዎ ይኽእሉ እዮም ድሕሪ ምባል፡ እዚ ከኣ ንውሕስነት ኣመሪካ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ ክብል ነቲ ዲጂታላዊ ገንዘብ ነቒፍዎ። እዚ ብፈይስቡክ ክውጽእ ተመዲቡ ዘሎ ዲጂታላዊ ገንዘብ፡ ብፕረዚደንት ትራምፕን ምምሕዳር ባንክ ኣመሪካን'ውን ወቐሳታት ቀሪብዎ እዩ። ሓለፍቲ ፈይስቡክ ብዛዕባ እዚ ዲጂታላዊ ገንዘብ ዝያዳ መብርሂ ንኽህቡ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ቅድሚ ባይቶ ኣመሪካ ክቀርቡ እዮም። እዚ 'ብሊብራ' ተባሂሉ ዝተሰመየ ዲጂታላዊ ገንዘብ፡ ክሳብ ንዕኡ ዝቕይዱ መምርሒታት ዝወጽእ ናብ ዕዳጋ ከም ዘይኣቱ ነቲ ፕሮጀክት ዝከታተል ደቪድ ማርከረ ንባይቶ ኣመሪካ ክነግር ትጽቢት ይግበር። ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ትራምፕ ደጋፊ ዲጂታላዊ ገንዘብ ከም ዘይኮነ ድሕሪ ምሕባር፡ ፈይስቡክ ነቲ ዲጂታላዊ ገንዘብ ኣብ ተግበር ከውዕሎ ፍቕድ ከድልዮ ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ እዩ። ሊብራ ፌስቡክ ካብ መእተዊ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ጀሚሩ፡ ከባቢ 2 ቢልዮን ዓማዊሉ ዋትሳፕ፣ ኢንስታግራንም ፌስቡክን ተጠቒሞም ገንዘብ ከንቀሳቕሱን ዕድጊት ክፍጽሙን ዘኽእል ኣማራጺ ከቕርብ ይሰርሕ ኣሎ። ሊብራ ብዝብል ዝጽዋዕ ክሪፕቶ-ከረንሲ [ዲጂታላዊ ሜላ ምንቅስቓስ ገንዘብ] ንኣስታት 139 ሚልዮን ኣፍሪቃውያን'ውን ተረባሕቲ ዝገብር'ዩ። ክሪይፕቶ-ከረንሲ እንታይ'ዩ? መዝገበ ቃላት ኦክስፎርድ 'ንክሪፕቶ-ከርንሲ'፡ ንድሕነት ዝውውር ገንዘብ ዘውሕስ፣ ተወሰኽቲ ኣሃዛት ከይፍጠሩ ዝቆጻጸርን ገንዘብ ከም ዝተሰጋገረ (ዝተመሓላለፈ) ዘረጋግጽን ዲጂታላዊ ገንዘብ ክብል ይገልጾ። ቢትኮይን'ከ? ብሓጺርን ቅልል ዝበለን ኣገላልጽ፤ ዲጂታል+ገንዘብ+መተዓዳደጊ ብዝብል ምግላጽ ይከኣል። እዚ ኣማራጺ ከምቲ ኣብ ጁባና ሒዝናዮ እንንቀሳቐስ ዓይነት ቅርሺ (ሳንቲምን ናይ ወረቐት ገንዘብን) ዘይኮነስ፡ 'ኦንላይን' ኢንተርኔት ዝጥቀም ዲጂታላዊ ገንዘብ እዩ። ሊብራ ብቪዛ፣ ማስተርካርድ፣ ኡበርን ታክሲፋይን [ኣገልግሎት ታክሲ ዝህቡ ትካላት] ተቐባልነት ረኺቡ'ሎ። ምቁራጽ ኢንተርኔት ኣብ ዝህሉ ግን እቲ ብፌስቡክ፣ ዋትሳፕን ካልኦት መተግበሪታት (ኣፕሊኬሽናት) ዝፍጸም ዝውውር ገንዘብ ሽዑ'ዩ ዝቋረጽ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48999827"} {"headline":"ትዊተር፡ ፖለቲካዊ 'መወዓውዒ' ኣይከተኣናግድን እዩ","content":"ዋና ስራሕ መካየዲ ትዊተር ጃክ ዶርሲ፡ ፖለቲካዊ መልእኽቲ ዝሓዘሉ ሓሳባት ሰባት ፈቒዶም ክሪኡዎም ዝግባእ 'ምበር ብሓይሊ ገንዘብ ክድፍኡ የብሎምን' ብምባል፡ ትዊተር ደጊም ፖለቲካዊ 'ውዕውዕ' ከምዘይፈቅድ ኣፍሊጡ። \"ኣብ መርበብ ሓበሬታ [ኢንተርኔት] ዝግበሩ ውዕውዕን ምልላይን ንንግዳዊ ዕላማታት ብጣዕሚ ጠቓምን ውጽኢታውን እንተኾነ'ኳ፤ ኣብ ፖለቲካዊ ዓውዲ እንትመጽእ ግን ሓደጋ ዘስዕብ እዩ\" ክብል ብትዊተሩ ኣዊጁ እዚ ላዕለዋዕ ሓላፊ እቲ ትካል ማሕበራዊ መራኸቢ። እቲ ዜና ኣብ ኣመሪካ ን2020 ዝነሓንሑ ፖለቲካዊ ሰልፍታት፡ ኣብ ክልተ መቒሉዎም። ሓላፊ ጎስጓስ ዳግመ-መረጻ ፕረዚደንት ትራምፕ ብራድ ፓርስኬል፡ እቲ ውሳነ ሕዚውን ንፕረዚደንት ትራምፕን 'ዓቃባዊ' ሰልፍን 'ጸጥ' ንምባል ዝተምሃዘ እዩ ክብል ነቒፉዎ። ወሃቢ ቃል ጎስጓስ ተነሓናሒ ሰልፊ ዲሞክራት፡ ቢል ሮሶ ብወገኑ ብገንዘብ ዝካየድ ጎስጓስ ነቲ ጽሬት ዲሞክራሲ ኣብ ሕቶ ዘእቱ እዩ ኢሉ። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ካሊእ ተነሓናሒ ማሕበራዊ ሚድያ ዝኾነ ፌስቡክ፡ ነዚ ስጉምቲ ተቓዊሙ ጠጠው ኢሉ። መስራቲ ትካል ፌስቡክ ማርክ ዙከርበርግ፡ እቲ ስጉምቲ ፖሊሲ ትካሉ ዝጻባእ ከምዝኾነ ተኸላኺሉ። ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዘካየዶ ቃለ ምልልስ፡ \" ኣብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት፡ ትካላት ብሕቲ ፖለቲካዊ ሓሳባት ክመምያ [ሳንሱር ክገብራ] ግቡእ ኣይኮነን\" ኢሉ። እቲ ትዊተር ዘውጸኦ እገዳ ግን ዝርዝሩ ኣብ ቀረባ ዝወጽእ ኾይኑ ካብ ሕዳር 22 ተግባራዊ ከምዝኸውን ተዘሪቡ። ኣብ'ቲ ኣብ ትዊተር ገጹ ዝለጠፎ፡ ናብዚ ስጉምቲ ዝበጽሐሉ ስነ-ሞገት ኣብሪሁ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝካየዱ ዘለዉ ፖለቲካዊ ውዕውዓት፡ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ካከየድ ንዝግበኦ ቅኑዕ ዘተ ዕንቅፋት ከምዝኾነ እዩ ገሊጹ። ብርግጽ'ውን ከምዚ እንረተዘይገይርና፡ ብማሽን ተሓጊዞም ዝተሓላለፉ ፖለቲካዊ መልእኽታት ዘይግቡእ ጽዕንቶ ንከይግበር ግቡእና ከምዘይተዋጻእና እየ ዝቖጽሮ ኢሉ እቲ ሓላፊ ትዊተር። ኣብ ልዕሊ መረጻ ዝግበሩ ግንዛቤ መጨበጢ መደባት ከምዘይሓውስ ውን ተዛሪቡ። ኣብ 2016 ፕረዚደንታዊ መረጻ፡ ዘይተዓወተት ሂላሪ ክሊንተን፡ እቲ ሓድሽ ውሳነ ደጊፋ ወናኒ ትካል ፌስቡክ ድማ ክሓስባሉ ኣተሓሳሲባ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50251559"} {"headline":"ፌስቡክ፡ ኣብ ስኑዕ ሓበሬታ መፍለዪ ምልክት ክገብር'ዩ","content":"ፌስቡክ [ፈይስቡክ]፡ ንዝርጋሐ ስኑዕ ዜናታትን ግጉይ ሓበሬታን ንምቁጽጻር ሓድሽ ስጉምትታት ከም ዝወስድ ኣፍሊጡ። እቲ ትካል፡ ኣብ ገጻት ፌስቡክን ኢንስታግራምን ዝተዘርግሑን ብሳልሳይ ኣካል ሓሶት ምዃኖም ዝተረጋገጹን ሓበሬታታት ፍሉይ ምልክት ከም ዝገብረሎም ተዛሪቡ'ሎ። ኩባንያ ፌስቡክ፡ ንሓቅነት ሓበሬታት ዘረጋግጽ፡ 'ፋክት ቸኪንግ' መደባቱ፡ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ 10 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣስፊሑ ከም ዘሎ ይፍለጥ። እቲ ሓቅነት ናይ'ቲ ዝዝርጋሕ ሓበሬታ ናይ ምምማይ ስራሕ ኣብ ዛምቢያ፡ ሶማልያ፡ ቡርኪናፋሶ፡ ኡጋንዳ፡ ታንዛንያ፡ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኣይቮሪኮስት፡ ጒኒን ጋናን ክትግበር ጀሚሩ'ሎ። ኣብቲ ትካል ሓላፊ ፓሊሲ ኣፍሪቃ ዝኾነ ኮጆ ቦኣክየ ከም ዝበሎ፡ እቲ ስኑዕ ሓበሬታታት ናይ ምጽራይ መደብ ብከም ብዓል ኣፍሪካ ቸክ፡ ፐሳ ቸክ፡ ዱባዋ፡ ፍራንስ 24ን ኤ-ኤፍ-ፒ ፋክት ቸክን ከም ዝትግበር ተዛሪቡ። \"ነቲ ኣብ ፌስቡክ ዝዝርጋሕ ስኑዕ ዜና ናይ ምፍላይ ስጉምትታት ምውሳድ፡ ከቢድ ሓላፍነት ጌርና ኢና እንርእዮ። ስኑዕ ሓበሬታ ዓብይ ጸገም ከም ዝኸነ ንፈልጥ ኢና\" ዝበለ እቲ ሓላፊ፡ ስለዝኾነ ድማ እዞም ጸገማት እዚኦም ምፍታሕ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ሓቢሩ። \"ብሳልሳይ ኣካል ጥራይ ዝግበር ምመያ ሓቃዊነት [ፋክት ቸኪንግ] እኹል ከም ዘይኮነ ንፈልጥ ኢና፡ እዚ ሓደ ካብቶም ወፍሪ ንገብረሎም ዘለና ንዓይነት ናይቲ ኣብ ፌስቡክ ዝዝርጋሕ ሓበሬታ ኣብ ምምሕያሽ ዝሕግዙ ብዙሓት ተበግሶታትን መደባትን እዩ\"።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50144411"} {"headline":"ኣብ ናይጄርያ ብፌስቡክ ዝተፈጸመ መርዓ ኣብ ልዕሊ መርዓዊ ናይ ሞት ምፍርራሕ ኣስዒቡ","content":"ኣብ ፌስቡክ ናይ ላግጺ መርዓ ዘዳለዉ ኣርባዕተ ናይጄርያውን ምስ እስላማዊ ስርዓት ዘይቃዶ ተግባር ፈጺሞም ብዝብል ናይ ሞት ምፍርራሕ ይበጽሖም ኣሎ። መርዓዊ ሳኑሲ ኣብዱላሂ፡ ብኢንተርኔት [ብፌስቡክ] ዝተፈጸመ መርዓ፡ ናይ ፌስቡክ መሓዝኡ ንዝኾነት መርዓት 'ብቐልዲ' 56 ዶላር ከም ዝወፈየላ ተኣሚኑ። ሃይማኖታዊ መራሕቲ፡ እቲ ተግባር ንሃይማኖታዊ ስርዓት ዘላግጽ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም። ካኖ ሓንቲ ካብተን ሃይማኖታዊ ፖሊስ ንእስላማዊ ሕጊ ሸሪዓ ዘፈጽመለን 12 ሰሜናዊ ግዝኣታት'ያ። ወዲ 29 ዓመት ኣብዱላሂ፡ ምስታ ናይ ፌስቡክ መሓዝኡ ብዛዕባ እቲ መርዓ ዝገበርዎ ዝርርብ ንቐልዲ ከም ዝነበረ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ካልኦት መሓዙቱ ድማ ናብቲ ናይ ክልቲኦም ዝርርብ ተሓዊሶም፤ እቲ ሓደ መርዓት ንመርዓዊ ዘረክብ [ኣብ ስነስርዓት መርዓ- ኣቦ ወይ ሓው ንመርዓት ሒዞም ብምምጻእ ንመርዓዊ የረክብዋ] ክኸውን፡ እቲ ካልእ ከኣ \"ምስክር\" ሓዳሮም ኮይኑ ክቐርብ ተረዳዲኦም። ብዛዕባ'ዚ ዝገልጽ መረዳእታ ኣብ ፌስቡክ ምስ ተዘርገሐ፡ ናይቲ ከባቢ ማዕኸናት ዜና ተቐባቢለንኦ'የን። ሃይማኖታዊ መራሕቲ'ውን ክዘራረቡሉ ምስ ጀመሩ ፖሊስ ነቶም ሰባት ክቕይድ ጸዊዖም። ኣብ ካኖ ፍሉጥ ሃይማኖታዊ መራሒ ዝኾኑ ሸኽ ናዚፍ ኢኑዋ፡ እቲ ተግባር ካብ እስላማዊ ስርዓት ወጻኢ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም። \"ኣብ ኢስላም 'ፋሉል' ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ እየን ናብቲ ዝፈትወን ሰብ [መርዓዊ] ወሲዱ ዘረክበን ወላዲ ወይ ተጸዋዒ ኣብ ዘይብሉ ከምዚ ዝበለ መርዓ ዝፍጽማ። ሳኑሲን መሓዙቱን'ውን ነዚ እዮም ፈጺሞም። እስላማዊ መርዓ ብኸምዚ ተፈጺሙ ኣይፈልጥን\" ኢሎም። ብተደጋጋሚ ናይ ምፍርራሕ መልእኽቲ ብጽሑፍ ክበጽሖም ዝጀመሩ ኣብዱላሂን መሓዙቱን ክሕብኡ'ዮም ወሲኖም። ካብ ሓደ መንነቱ ዘይተፈለጠ ሰብ ጥቕዓት ስለዝተፈጸሞ ከኣ ናብ ሂስባሕ [ሃይማኖታዊ ፖሊስ] ከይዱ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱን ብቐልዲ ንዝፈጸሞ መርዓ ይቕረታ ሓቲቱን'ዩ። ኣባ ሱፊ - ሓላፊ ሂስባሕ፡ እቶም መናእሰይ ንዝሓተትዎ ይቕረታ ከም ዝተቐበሉን ነቲ ስሕተት መሊሶም ከይፍጽምዎ ከም ዝመዓድዎምን ንቢቢሲ ሓቢሮም። ኣብቲ ተግባር ዝተሳተፈት ጓል-ኣንስተይቲ [መርዓት] ዝበጽሓ ቕጽዓት'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ኣፍቃሪኣ ግን ብተግባራ ተቖጢዑ ክገድፋ ወሲኑ'ሎ። ኣብዱላሂ'ውን ሕጽይቱ ገዲፋቶ ከም ዝኸደት ንቢቢሲ ተዛሪቡ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48949019"} {"headline":"ቢቢሲ እምነት ተኸታተልቱን ግልጹነቱን ንምሕያል ብኸመይ ከምዝሰርሕ ተመሃር","content":"ቢቢሲ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ዓለምን ብሓፈሻ ክትኣምኖ እትኽእል ዜና ብምቕራብ ብሰማዕቱ ተቐባልነት ዘለዎ ናይ ዜና ማዕከን ኢዩ። መርበብ ሓበሬታና [ዌብሳይት] ልክዕ ክምቲ መደበር ቴሌቪዥናን ሬድዮናን ቅኑዕ፡ ዘየዳሉ፡ ነጻን ፍትሓውን ዜና ከቕርብ ኢዩ ዝጽዕት። እቲ ናይ ምስንዳው [ኤዲቶርያል] ክብርታትና ከምዝብሎ፡ \"እቲ ሰማዕትና ኣብ ኩሉ ትሕዝቶና ዘለዎም እምነት ነቲ ዝበልናዮ ዘረጋግጽ ኢዩ። ንሕና ነጻን ዘይነዳሉን ኣብ ሓቂ ንኣምን ናይ ዜና ማዕከን ኢና። ነቲ ዝልዓለ ደረጃ ናይ ቅኑዕነትን ዘይኣድላውነትን ንምብጻሕን፡ ብፍላጥ ወይ ድማ ብቑሳዊ ነገራት ንሰማዕትና ዘደናግሩ ዘበሉ ነገራት ንምውጋድ ብእምነት ንጽዕት። \"እምነትና ኣብ ዘይምድላው ሕመረት ናይ ተኣማንነትና ኢዩ። ኣብ ኩሉ ንፍንዎ ዜናታት፡ ነቲ ጉዳይ ብዘይኣድልዎን ናይ ኩሉ ርእይቶታት ዘንጸባረቕን ክኸውን ኢና ንገብር። ንኹሉ ዝቐርብ ተመሳሳሊ ጭብጥታት ብቕንዕናን ብኽፉት ሓንጎልን ኢና ንጥምቶም።\" ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝቐርቡ ዜናታት ተኣማንነቶም ንምልላይ ኣዝዩ ዝግበር ጻዕሪ ዜደናግር ተመክሮ ከምዝኾነ ንፈልጥ ኢና። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ፡ ሰማዕትና ናይ ቢቢሲ ዜናታት ከመይ ከምዝዳለው ክፈልጡ ከምዝደልዩ'ውን ንፈልጥ ኢና። ቢቢሲ ንነዊሕ እዋን ዜናታት ኣብ ምድላው ዝምርሓሉ ናይ ባዕሉ ሓፈሻዊ መምርሒ ክህልዎ ከሎ፡ ጋዜጠኛታቱ'ውን ነቲ መምዘኒ ደረጃታት ንኸማልኡ መምርሒ ይሰርዕ። ነቲ ናይ ቢቢሲ ሓፈሻዊ ናይ ስራሕ ምምርሒ ብቐሊሉ ንምርዳእ፡ እዘን ዝስዕባ ኣገደስቲ ዝበልናየን ክፋላት ነቕርበልኩም ኣሎና። ዕላማና፡ እቲ ቀንዲ ናይ ቢቢሲ ዕላማ ናይ ህዝቢ ረብሓ ምሕላውን፡ ንሰማዕታ ድማ ካብ ኣድልዎ ነጻ ዝኾነ ልዑልን ፍሉይን ትሕዝቶ ዘለዎ ዜና ምቕራብን፡ ናይ ሓበሬታን ኣስተምህሮን ምዝንጋዕን ኣገልግሎት ምቕራብን የጠቓልል። ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ተወከሱ። ናይ ዋንነት ቅርጽን፡ ምወላን ሓገዝን፡ ቢቢሲ ካብቲ ንናይ ምስንዳው ቅኑዕነቱ ዘንኣኣስ ናይ ወጻኢ ረብሓታት ነጻ ኢዩ። ንውሳኔታትና ብናይ ወጻኢ ረብሓታት፡ ፖለቲካዊ ወይ ድማ ንግዳዊ ጸቕጢ ወይ ድማ ብውልቃዊ ረብሓታት ስለዘይጽለው ሰማዕትና ኣባና ተኣማንነት ክሕድሩ ይግባእ። ቢቢሲ፡ ብ18 ጥቅምቲ 1922 ኢዩ ተመስሪቱ። ታሪኽ ቢቢሲ መርሓ ስነ ምግባር፡ ናይ ቢቢሲ ሓፈሻዊ መምርሒ ከምዝሕብሮ፡ ኩሉ ናይ ምስናድ ክብርታትን ተግባራትን ምስቲ መምርሒ ክሳነ ትጽቢት ይግበረሉ። መርሓ ብዙሕነት፡ ብዛዕባ ናይ ቢቢሲ ኒውስ ናይ ብዙሕነት እምነት ንምርዳእ ናይ ቢቢሲ ቅዋም [ቢቢሲ ቻርተር] ክትውከሱ ንምሕጸነኩም። መአረምታ፡ ብዝተኻእለ መጠን ቢቢሲ ቅኑዕ ዜና ከመሓላልፍ ኢዩ ዝጽዕት። ኩሉ እንዝርግሖ ዜና ምንጩን ቅኑዕነትን ዝተረጋገጸ ክኸውንን፡ ብንጹርን ዘየሻሙ ቋንቋ ከምዝቐርብ ይገብር። ኣብቲ ኣንዝርግሖ ዜና ሓቀኛታትን ግሉጻትን ክንከውንን፡ ኩሉ መሰረት ኣልቦን ኣብ ግምታት ዝተመርኮሰን መረጋገጺ ዘይብሉን ብጭቡጥነቱ ክረጋገጽ ዘይእክል ዜና ኣይነቕርብን። ምንጩ ድማ ብስርዓት ክግለጽ ኣለዎ። ጌጋ ምስ እንፍጽም ብርሕው ልቢ ጌጋ ከምዝገበርና ንእመንን፡ ካብቲ ዝገበርናዮ ጌጋታት ድማ ክንምሃር ቅሩባት ኢና። ኣብ እነቕርቦ ዓንቀጻት ቅኑዕነት ዝጎደሎ ነገራት ምስዝህሉ፡ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ጽሑፍ መአረምታ ከምዝተግብረን ዝተገብረሉ ዕለትን ዝሕብር ሕጥበ ጽሑፍ ይግበረሉ። እንተድኣ ኣብቲ ጽሑፍ፡ ነቲ ትሕዝቶ ብዙሕ ዘይቅይሮ ከም ናይ ሰባት ኣስማት ኣጸሓሕፋ ተርእዩ። ዝኾነ ምልክታ ከይተዋህበ መአረምታ ይግበረሉ። ብቕዓት ጋዜጠኛታት፡ ኩሉ ግዜ ኣብ መደብ ቢቢሲ ኒውስ ዝቐርቡ ዓንቀጻት፡ ናይቲ ኣቕራቢ ጋዜጠኛ ምሉእ ስም ይግበረሉ። ሓፈሻው ዜናታትን ሓበሬታታትን ግና ስም ናይቶም ኣቕረብቲ ኣይግበረሉን ኢዩ። መደብ ቢቢሲ ኒውስ፡ ኣብ መንጎ ርጉጽ ዜና ርእይቶን ዘሎ ፍልልያት ብንጹር የቕርብ። ነዚ ንምርእይ ድማ ማሺናት ከንብብኦ ዝኽእላ ሽዱሽተ ምልክታት ንገብረሉ። ኩሉ ስርሓትና፡ ብቑዕነቱ ኣብቲ ኣርእስትን ባህርያትን ንምርግጋጽ፡ እቲ ምንጪ ብስርዓት ክግለጽን ጭብጥታት ዘለዎን ብስርዓት ዝተፈተነን ብንጹርን ዘየማትእን ቋንቋ ክቕርብ ይግብኦ። ብዝተኻእለና መጠን ሓቀኛታትን ብዛዕባ'ቲ ዘይንፈልጦ ጉዳያት ድማ ግሉጻት ክንከውንን መሰረት ኣልቦ ግምታት ድማ ነወግድ። እቲ ቢቢሲ ዝዝርግሖ ምንጩ ሓደ ጥራይ እንተድኣ ኮይኑ፡ ብዝተኻእለ መጠን ምንጪ ናይታ ዜና ይጠቕሶ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ወግዓዊ ሓበሬታታትን ክልእን ኣብ እንዝርግሓሉ እዋናት መታን ተኸታተልትና ነቲ ጉዳይ ባዕላቶም ክመዝንዎ ነቲ መበቆል ናይቲ ዜና ንሕብሮም። ኣድላዪ ምስዝኸውን ድማ መታን ተኸታተልትና ተወሳኺ ሓበሬታ ክረኽቡ ድማ ናይ ካልኦት መርበብ ሓበሬታ ገጻት [ዌብሳይት] ነቕርብ። ዕምቆት ዘለዎን ዝተሓላለኸን ምርመራ ዝሓትትን ስራሕ ኣብ እንሰርሓሉ እዋን፡ ነቲ ስራሕ ብኸመይን እንታይ ኣገባባት ከምዝተጠቐምናን ንገልጽ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/institutional-49283259"} {"headline":"ፌስቡክ 5 ቢሊየን ዶላር ክቕጻዕ እዩ","content":"ኮሚሽን ንግዲ ኣመሪካ ዝበሃል ተቖጻጻሪ ኣካል፡ ፌስቡክ 5 ቢሊየን ዶላር ክቅጻዕ ወሲኑ። እዚ ውሳነ ክሳብ ሕዚ ካብ ዝተመሓላለፉ መቕጻዕትታት ገንዘብ እቲ ዝለዓለ እዩ። ፌስቡክ፡ ናይ ተጠቀምቱ ውልቃዊ ሓበሬታ ክሕልው ኣይከኣለን ብዝብል እዩ ነዚ መቕጻዕቲ ክኸፍል ተወሲኑዎ ዘሎ። ኣማኻሪ ጉዳያት ፖለቲካ ዝኾነ ካምብሪጅ አናሊቲካ ዝበሃል ትካል፡ ብዘይግቡእ መገዲ ናይ ኣስታት 87 ሚሊዮን ተጠቀምቲ ፌስቡክ ሓበሬታ ረኺቡ እዩ ንዝብል ክሲ ኮሚሽን ንግዲ ኣመሪካ ከጻርዮ ጸኒሑ እዩ። እዚ መቕጻዕቲ 3 ን 2 ብዝኾነ ድምጺ እዩ ብኮሚሽን ንግዲ ኣመሪካ ተቐባልነት ረኺቡ ዘሎ። ፌስቡክ ኮነ ኮሚሽን ንግዲ ኣመሪካ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ንቢቢሲ ርእይቶኦም ካብ ምሃብ ተቖጢቦም። ኮሚሽን ንግዲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ፌስቡክ ዝገብሮ ምጽራይ ዝጀመረ ዝሓለፈ መጋቢት ክኸውን ከሎ፡ ኣማኻሪ ጉዳያት ፖለቲካ ዝኾነ ካምብሪጅ አናሊቲካ ዝበሃል ትካል ብዓሰርተታት ሚልዮናት ናይ ዝቑጸሩ ተጠቀምቲ ፌስቡክ ሓበሬታ ክረክብ ከምዝኸኣለ ተገሊጹ ነይሩ። ቀንዲ ትኹረት ናይቲ ምጽራይ፡ ፌስቡክ ነቲ ኣብ 2011 ዝተገበረን ናይ ተጠቀምቱ ውልቃዊ ሓበሬታ ብዘይ ድልየቶም ንሳልሳይ ኣካል ኣሕሊፉ ከይህብ ዝኽልኽልን ሕጊ ጥሒሱዶ ኣይጠሓሰን ዝብል እዩ ነይሩ። ፈለጥቲ ውሽጢ ንወል ስትሪት ጆርናል ከምዝሓበርዎ፤ ፌስቡክ ሓሙሽተ ሚልዮን ዶላር ክቕጻዕ ተወሲኑ እዩ። እቲ ውሳነ ግን ኣብ መንጎ ሪፓብሊካንን ዲሞክራትን ኣባላት ናይቲ ኮሚሽን ፍልልይ ዝፈጠረ ከምዝነበረ ይገልጹ። ኣባላት ሪፐብሊካን ነቲ ውሳነ ክድግፉ እንከለዉ፤ ኣባላት ዲሞክራት ድማ ተቓዊሞምዎ እዮም። ገለ ኣባላት ዴሞክራት፡ አብ ልዕሊ ፌስቡክ ዝያዳ ጥቡቕ ገደብ ክንበር ኣለዎ፡ ካልኦት ድማ እቲ መቕጻዕቲ እኹል ኣይኮነን ክብሉ እዮም ነቒፎምዎ። እቲ መቕጻዕቲ ብሚኒስትሪ ፍትሒ ኣቢሉ እዩ ተፈጻሚ ክኸውን። እዚ ድማ፡ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ከምዝወስድ ኣይተፈለጠን። እቲ መቕጻዕቲ፡ ምስቲ ቅድም ክብል ፌስቡክ ባዕሉ 'ክሳብ 5 ቢልዮን ዶላር ዝበጽሕ መቕጻዕቲ ኢና ንጽበ' ኢሉ ዝገመቶ ተመሳሳሊ እዩ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48974978"} {"headline":"ሊብራ፡ ሓድሽ ናይ ፌስቡክ ዲጂታል ገንዘብን ኣፍሪቃን","content":"ፌስቡክ ካብ መእተዊ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ጀሚሩ ከባቢ 2 ቢልዮን ዓማዊሉ ዋትሳፕ፣ ኢንስታግራንም ፌስቡክን ተጠቒሞም ገንዘብ ከንቀሳቕሱን ዕድጊ ክፍጽሙን ዘኽእል ኣማራጺ ከቕርብ ይሰርሕ ኣሎ። ሊብራ ብዝብል ዝጽዋዕ ክሪፕቶ-ከረንሲ [ዲጂታላዊ ሜላ ምንቅስቓስ ገንዘብ] ንኣስታት 139 ሚልዮን ኣፍሪቃውያን'ውን ተረባሕቲ ዝገብር'ዩ። ኣብ ሃገራት ምዕራብ ካብ ዝርከቡ ዘመድ ኣዝማድን ፈተውትን ዝለዓለ መጠን ገንዘብ ናብ ኣፍሪቃ ይለኣክ። ፌስቡክ ነዚ ዝውውር ገንዘብ ዘቀላጥፍን ቀሊልን ኣማራጺ ሒዙ ክመጽእ ብምክኣሉ ንኣፍሪቃ ዝለዓለ ረብሓ ከም ዝህልዎ ይግመት። ኣብ ዙርያ ቴክኖሎጂ ዝሰርሕ ጋዜጠኛ ኣንዴሊ ማሱኩ \"ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እየ ዝነብር። ካብ ደገ ዝለኣኸለይ ገንዘብ ተቐቢለ ናብ ዚምባብወ ንምልኣኽ ከቢድ ስግኣት ኣለኒ። ዝተቐበልክዎ ገንዘብ ብቐትሩ ክውረር እኽእል እየ\" ይብል። ፌስቡክ ሒዝዎ ዘሎ ትልሚ ነዞም ስግኣታት ካብ ምእላይ ብተወሳኺ፡ ናብ ዝተወለዱለን ሃገራት ገንዘብ ዝልእኹ ሰባት ካብ ኣብጻሕቲ [ኣመሓላለፍቲ] ትካላት ዝሕተትዎ ዋጋ ዝንክይ ከም ዝኾነ ይዛረብ። ባንኪ ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘውጽኦ መረዳእታ ከም ዘመልክቶ፡ ናብ ሃገራት ትሕቲ ሳህራ ዝለኣኽ ገንዘብ ካብቲ ናብ ካልኦት ዝለኣኽ ገንዘብ ዝበለጸ መተሓላለፊ ወይ መብጽሒ ዋጋ ይኽፈሎ። ንኣብነት 200 ዶላር ብዌስተርን ዩንየን ወይ መኒ ግራም ንምልኣኽ 12 ዶላር ንመልኣኺ ክፍሊት ይሓትት። ብኻልእ ገጽ፡ መንግስታት ኣፍሪቃ ኣብ ክሪፕቶ-ክራሲ ዘለዎም ስግኣት ድህነት ንውጽኢታውነት ፌስቡክ ኮነ ኻልኦት ዲጂታል ባጤራታት ናብ ሕቶ ዘእቱ ኮይኑ ይርከብ። ነዚ ካብ ኣገልግሎት ዝኣገዳ ሃገራት ናይጄርያን ዚምባወን ይርከብአን። ክሪፕቶ-ካረንሲ ብምትቃም መንነት ገዝኣይ ከይተፈለጠ ምትዕድዳግ ይከኣል'ዩ። በዚ ድማ ሕጋውነት ዘይብሎም ጉጅለታት ኣጽዋር ክዕድጉን ዕጸ-ፋርስ ከዘዋውሩን ይኽእሉ። ንዘይጋዊ ዝውውር ገንዘብን ግብረ ሽበራን የተባብዑ ብዝብል ኣብ ልዕሊ ቢትኮይንን ክሪፕቶ ከረንሲን ስግኣቶም ዝገልጹ ብዙሓት'ዮም። ክሪይፕቶ-ከረንሲእንታይ'ዩ? መዝገበ ቃላት ኦክስፎርድ 'ንክሪፕቶ-ከርንሲ'፡ ንድሕነት ዝውውር ገንዘብ ዘውሕስ፣ ተወሰክቲ ኣሃዛት ከይፍጠሩ ዝቆጻጸርን ገንዘብ ከም ዝተሰጋገረ (ዝተመሓላለፈ) ዘረጋግጽን ዲጂታላዊ ገንዘብ ክብል ይገልጾ። ቢትኮይን'ከ? ብሓጺርን ቅልል ዝበለን ኣገላልጽ፤ ዲጂታል+ገንዘብ+መተዓዳደጊ ብዝብል ምግላጽ ይከኣል። እዚ ኣማራጺ ከምቲ ኣብ ጁባና ሒዝናዮ እንንቀሳቐስ ዓይነት ቅርሺ (ሳንቲምን ናይ ወረቐት ገንዘብን) ዘይኮነስ፡ 'ኦንላይን' ኢንተርኔት ዝጥቀም ዲጂታላዊ ገንዘብ እዩ። ሊብራ ብቪዛ፣ ማስተርካርድ፣ ኡበርን ታክሲፋይን [ኣገልግሎት ታክሲ ዝህቡ ትካላት] ተቐባልነት ረኺቡ'ሎ። ምቁራጽ ኢንተርኔት ኣብ ዝህሉ ግን እቲ ብፌስቡክ፣ ዋትሳፕን ካልኦት መተግበሪታት (ኣፕሊኬሽናት) ዝፍጸም ዝውውር ገንዘብ ሽዑ'ዩ ዝቋረጽ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-48899598"} {"headline":"መስሓቕ ኢንተርኔት' ድሕሪ ምዃና ንነብሳ ክትቀትል ዝፈተነት መንእሰይ","content":"እዋኑ 2012 ሓደ ምሽት ነይሩ፤ ዲቮራ ሽዓ ምሸት ጽብቕብቕ ዝበለት ኮይኑ ተሰሚዕዋ። ኣብ ሓደ ናይ ቤተሰብ እንግዶት እንከላ፡ ናይ ዘመዳ መነጸር ገይራ ስእሊ ተስኣለት። ሽዑ፡ ጓል 15 ዓመት ዝነበረት ዲቦራ ነታ ስእሊ ኣብ ፌስቡክ ጠቂዓታ። እዛ ስእሊ ብዙሕ መዘዝ ሒዛትላ ክትመጽእ ግን ኣይተጸበየትን። መጀመርያ፡ ናይ ፌስቡክ መሓዙታ ከምቲ ልሙድ ፍትወቶም ገለጹላ። ድሕሪ መዓልታት ግን፡ ዘይትፈልጦም ሰባት ንስእላ ይጥቅዕዎ ከምዘለዉ ተዓዘበት። \"ዲቫ\" ሽዑ፡ ሰባት ኣብ ኢንተርኔት 'መስሓቕ' ከምዝገበርዋ ፈሊጣ። እናባጨዉ፡ ብሽም እቲ ገይራ ዝተስኣለቶ መነጽር \"ኦክሌ ዲቫ\" እናበሉ እዮም ንስእላ ዝጥቅዕዎ ነይሮም። ከም መግለጺ 'ክፍእቲ ጓል' እዮም ንናታ ስእሊ ዝዝርግሕዎ ዝነበሩ። ነቲ ስእሊ ብዙሓት ምስ ዘርግሕዎ፡ ዲቮራ ካብቲ ኣብ ብራዚል ከተማ ሳኦ ፓውሎ ዝርከብ ገዝኣ ንደገ ክትወጽእ ኣይደለየትን። \"ዝሓመቕኩን ዝተዋረድኩን፡ ትሕቲ ካልኦት ኣዋልድ ዝኾንኩን ኮይኑ ተሰሚዑኒ\" ትብል ዲቮራ። \"ሰባት ኣብ ስእለይ ርእይቶ ክህቡ ከለዉ፡ ብዛዕባ መልክዐይ ብዙሕ ነገራት ጽሒፎም፤ እዚ ከኣ ኣሕዚኑኒ\" ትብል። ኣዝያ ሰለዝሓዘነትን ዝተጨነቐትን፡ ትምህርቲ ገዲፋቶ፡ ንነብሳ ክትቀትል ድማ ፈተነት። \"ዝኾነ ነገር ክገብር ዓቕሚ ስኢነ። እናበኸኹ ነታ ስእሊ ብምስኣለይ ንነብሰይ ጥራይ ይወቕሳ ነይረ\"። ሕዚ፡ ጓል 22 ዓመት ኮይና ወዲ ሰለስተ ዓመት ቆልዓ ኣለዋ። ቅድሚ ሰሙናት፡ እቲ ስእላ እንደገና ኣብ ፌስቡክን ኢንስታግራምን ክዝርጋሕ ከምዝጀመረ ፈሊጣ። ኣብዚ ግዜ ግን፡ ክትሕባእ ኣይመረጸትን። ነቲ ስእላ ዝዝርግሑ ሰባት ብሕጊ ከምእትሓቶም ኣብ ፌስቡካ ጽሒፋ። ዲቮራ ነታ ስእሊ ክትጥቀዓ ከላ፡ ጽብቕቲ ከምዝኾነት እያ ትሓስብ ዝነበረት። ግን ከኣ፡ ሓደ ብዙሕ ዘይትቐርቦ ግን ከኣ እትፈልጦ ሰብ ብመልክዓ ቀሊዱ ነታ ስእሊ ኣብ ናቱ ፌስቡክ ዘርጊሕዋ። ነቲ ዝጠቀዖ ጸኒሑ'ኳ እንተኣለዮ፡ ድሮ ግን ብዙሓት ሰባት ዘርጊሖምዎ ነይሮም። ኣብ መገድን ቤት ትምህርታን ሰባት ከለልይዋን ከባጭዉላን ጀሚሮም። ድሕሪ'ዚ ዲቦራ ንነብሳ ካብ ሰባት ክትንጽል ከምዝጀመረት ኣዲኣ ትዛረብ። \"ብዙሕ እያ ተሳቕያ\" ዲቮራ ኣብ ገዛ ዝረኸበቶም ኣፍውስ ሓዋዊሳ ንነብሳ ክትቀትል ፈቲና። ከምዕድል ኮይኑ፡ ኣይቀተላን። \"ኣብቲ እዋን ኣብ ገዛ ዝኾነ ዓይነት ስሚ እንተዝህሉ፡ ምወሰድክዎ ነይረ\" ትብል። ኣብ 2014፡ እቲ 'መስሓቕ ሰብ' ዝገበራ ስእሊ ቀስ ብቐስ ክዘሓሓል ጀመረ። ዲቮራ፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ተመሊሳ፡ ኣብ 2016 ትምህርታ ወዲኣ። ርእሰ ተኣማንነታ ከኣ ወሲኹ። ኣብ መፈለምታ ናይዚ ወርሒ፡ ዲቦራ ሰባት መሊሶም ንስእላ ክጥቀምሉ ጀሚሮም ከምዘለዉ ተዓዚባ። ኣብዚ እዋን ከኣ፡ ሰባት ምስ ጸዓዱ እናነጻጸሩ እዮም ከባጭዉላ ጀሚሮም። \"ኩሉሻብ ነተን ጸዓዱ ከም ጽቡቓት፡ ንዓይ ከኣ ከም ክፍእቲ ገይሮም የቕርቡኒ\" ትብል። \"ንሓንቲ ጸላም ከም ጽብቕቲ ገይሮም ከቕርብዋ'ውን ምኸኣሉ፡ ከምኡ ግን ኣይገብሩን እዮም\"። ዲቮራ፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ዝዘርግሕዎ ናታ ስእሊ ክኣልዩዎ ኣዛሪባቶም እያ። ነቶም ዘይኣለይዎ ከኣ፡ ክትከሶም ምዃና ተዛሪባ። ቢቢሲ ብዛዕባ ናይ ዲቮራ ጉዳይ ንፌስቡክ ኣዘራሪቡ። እቲ ኩባንያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንሰባት ምጥቃዕን ኣብ ልዕሊኦም ግህሰት ምፍጻምን ኣንጻር ናይ ፌስቡክ ሕግታት እዩ። ሰባት፡ ግቡእ ኣይኮነን ዝብልዎም ትሕዝቶታት ክጥቁምዎ ፌስቡክ ይጽውዕ። እንተኾነ፡ ዲቮራ ካብ 2012 ጀሚራ እኳ ከምኡ እንተገበረት፡ ፍታሕ ከምዘይረኸበት እያ ትገልጽ። \"እቶም ስእልታት ዝእለዩ፡ ነቲ ዝጠቀዖ ሰብ ብቐጥታ ከዛርብ እንከለኹ ጥራይ እዩ\" ትብል። ኢንስታግራም፡ ግህሰትን መጥቃዕትን ዝከላኸለሉ ሜላ ከምዘለዎ፡ ግን ከኣ ብዛዕባ ከምዚኦም ዝበሉ ጉዳያት ጥቆማ ክበጽሖ ከምዘለዎ ንቢቢሲ ገሊጹ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49232163"} {"headline":"ኣትሌት ሃይለ ገብረሰላሰ ንትካል ፌስቡክ ክኸስስ'የ ኢሉ","content":"ኣትሌት ሃይለ ገብረስላሰ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ህውከት ብምልዕዓል ንፌስቡክ ክኸሶ ይሓስብ ከም ዘሎ፡ ፋና ብሮድካስቲን ኮርፖሬት ገሊጹ። ንሱ፡ ማሕበራዊ ሚድያታት ብፍላይ ፌስቡክ፡ ኣብታ ሃገር ህውከት ክጋደድ ይገብር ከምዘሎ ተዛሪቡ። \"መንግስቲ ንፌስቡክ ክኸሶ እንተዘይክኢሉ፡ ኣነ ክኸሶ ይኽእል እየ\" ኢሉ። ብተወሳኺ \"ኣብ ውሑድ መዓልቲታት ብዙሓት ሰባት ምሟቶም፡ ንፌስቡክ ንምኽሳስ እኹል ምኽንያት እዩ'' ክብል ተዛሪቡ። ኣትሌት ሃይለ ገብረስላሰ ቅድሚ ሐዚ ''ዲሞክራሲ ንኣፍሪቃውያን ሕንቃቐ እዩ'' ብምባሉ፡ ኣዘራራቢ ኮይኑ ነይሩ እዩ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-50251434"} {"headline":"ኢትዮጵያ-ፖለቲካ፡ ኢንተርነት ስለምንታይ ይዕጾ?","content":"ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብሓሙስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ዝበጽሕ ዕንወት ንምግታእ፡ ኣድላዪ እንተድኣኾይኑ 'ኣይኮነን'ዶ ንሰሙን ክሳብ መወዳእታ'ውን ኢንተርነት ክዕጾ ይኽእል'ዩ' ኢሉ። ንምኻኑ፡ በየናይ ናይ ሕጊ ኣገባብ'ዩ ኢንተርነት ዝዕጾ? ክንብል ንበዓል ሞያ ሕጊ ኣቶ ምስጋናው ሙሉጌታ ሓቲትናዮ። ንሱ ከም ዝብሎ፡ ብድንጋገታት ሰብኣዊ መሰላት ኮነ ሕገ መንግስቲ፡ ድሕነት ሃገር ንምሕላው ክብሃል መንግስቲ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል'ዩ። ደራሲ 'ግርምተ ሳይቴክ'ን ኣካያዲ ስራሕ ቴክኖሎጂ ትካል ፎርቹን ግሎባል 500 ኣቶ ሰለሞን ካሳ ድማ፡ ከም ሓደ ድሕነት ህዝቢ ንምሕላው ሓላፍነት ዘለዎ ኣካል፡ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝበጽሕ ጉድኣት ትኹረት ንክግበረሉ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዚ ምባሉ ትጽቢት ዝግበር'ዩ ይብል። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ መንግስታት ዝሙግቶም ሓሳብ ብኢንተርነት ከይዝርጋሕ ንምክልኻል'ዮም ኢንተርነት ዝዓጽው ተባሂሉ ይንቀፉ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ምዕጻው ኢንተርነት፡ መንግስቲ ዜጋታት ዝረኽቡዎ ወይ ዝለዋወጡዎ ሓበሬታ ዝቆጻጸረሉ መገዲ ብምኻን፡ ብዘይኣገባብ ይጥቀመሉ ኣሎ ዘሎ ዝብል በዓል ሞያ ሕጊ ኣቶ ምስጋናው እዩ። ምቁራጽ ወይ ምዕጻው ኢንተርነት ኣብ ዓለም እናተለመደ ዝመጽእ ዘሎ ምኻኑ ዝዛረብ ኣዳላውን ኣቕራብን ምድላው ቴሌቭዥን ቴክ ቶክ ኣቶ ሰለሞን ብወገኑ፡ እቲ ምኽንያት መንግስቲ ፖለቲካን ሓበሬታን ኣብ ቁጽጽሩ ክኸውን ወይ ድማ እቲ ትረኻ ፖለቲካ ብልክዕ ንሱ ዝደልዮ ክኸይድ እንትደሊ'ዩ ይብል። ብምስዓብ፡ መንግስቲ ዝተፈጥሩ ጸገማት ንምዕራይን ንምቁጽጻርን'የ ኢንተርነት ዓጽየ ዝብሎ ምኽንያት ሓቅነት እንተሃለዎ'ውን፡ መጽናዕታት ግን መሸፈኒ ምኽንያት ምኻኑ'ዮም ዘርእዩ ኢሉ። ኢንተርነት፡ ንምንቅስቓስ ፖለቲካዊ ለውጢ ኣብ ረብሓ ዝወዓለ ብ2011 ኣብ ቀውዒ ዓረብ'ዩ። \"ድሕሪ እዚ መንግስታት ነቒሖም ዝከታተሉዎ ጉዳይ እንተሃለወ፡ ኢንተርነት'ዩ\" ይብል ኣቶ ሰለሞን። ኣብዚ ጉዳይ ዝተኻየዱ መጽናዕታት ብምጥቓስ፡ ድሕሪ ቀውዒ ዓረብ ልዕሊ 40 ሃገራት ልዕሊ 400 ግዜ ኢንተርነት ዓጽየን እየን ይብል እዚ በዓል ሞያ ቴክኖሎጂ። ብፌስቡክ ብዝንዝሑ ሓበሬታታትን ብዝሓልፉ ግጭት ዘለዓዕሉ መልእኽታትን፡ ንብርክት ዝበላ ሃገራት ሕማም ርእሲ'ዩ። ናይ ሓሶት ሓበሬታ፣ ሃይማኖታውን ዓሌታውን ግጭት ዘልዕሉ ጽሑፋትን ምስልታትን፣ ጾታዊ ዓመጽ ዘርእዩ ምስሊታት ገለ ካብቶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝስተውዓሉ መትሐዚ መጨበጢ ተሳኢኑሎም ዘለው ጉዳያት'ዮም። \"ከምዚ ዓይነት ሓበሬታታት፡ ሓሳባዊ ግጭት ጥራሕ ዘይኮነ ኣካለዊ ግጭት'ውን ከልዕሉ ይኽእሉ'ዮም\" ዝብል ኣቶ ሰለሞን፤ እዚ ብዙሓት ሰባት ብቐሊሉ ክዕሸውሉ ብዘኽእል መገዲ ተቓሚሙ ክቐርብ ከም ዝግበርን ከም ዝኽእል ይዛረብ። ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ምህዳር ድማ፡ ብዘርኢ፣ ብሃይማኖት፣ ጾታን ካልእን ዝተኸፋፈለ ናይ ሓሶትን ጽልኣትን ዜናታት ብሰፊሑ ከም ዝርኣዩ በዓል ሞያ ሕጊ ኣቶ ምስጋናዉ ገሊጹ። እዞም ሰብ ሞያ፡ ምዕጻው ኢንተርነት ነቶም ኣብታ ሃገር ዝርኣዩ ዘለው ጎንጺታት ብሄርን ምምዝባል ዜጋታትን ጠጠው ዘብል ኣይኮነን በሃልቲ'ዮም። ኣቶ ሰለሞን፡ ተሞክሮ ጀርመንን ፊሊፒንስን ከም ኣብነት ብምጥቃስ ኢንተርነት ካብ ምቁራጽ፡ ጽልኣት ዝጉስጉስን ስነዕ [ናይ ሓሶት ዘረባ ወይ ሓበሬታ] ዝመሓላለፉ ብፌስቡክ ስለ ዝኾነ፡ ንፌስቡክ ምዝርራብ ግቡእ'ዩ ይብል። ልዕሊ 100 ሚሊዮን ህዝቢ ኣብ ዘለዋ ሃገር፡ ግጭት እንትፍጠር ዘይምርግጋእ እንትቕጽል፡ መንግስቲ ንኩባኒያ ፌስቡክ ብምዝርራብ፡ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ምቁጽጻር ትኹረት ሂብካ ክስርሓሉ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ'ውን ይለዓል'ዩ። በዓል ሞያ ሕጊ ኣቶ ምስጋናው ብወገኑ፡ ኣብ ዝምጽእ ዓመት ዝህሉ ሃገራዊ ምርጫን ኣብ ቀረባ ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ ድምጺ ህዝበ ውሳነ ዞባን ብምልዓል፡ \"ብመንጽር እታ ሃገር ዘላቶ ፖለቲካዊ ኩነታት፡ ብዝተኽኣለ መጠን ሓሳብ ብዝግባእ ክትዕ ክካየደሉ ብምግባር፡ ካልእ ዝነሓነሐካ ሓሳብ እናቐረበ ክኸይድ ምግባር'ዩ እቲ ዝሓሸን ዘዋጽአናን ስልቲ\" ይብል። ገለ እዋን ፈተና ገለ ሻብ ድማ ጸጥታን ድሕነትን ህዝቢ ምክንያት ብምግባር፡ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርኣይ ዘሎ ምዕጻው ኢንተርነት፡ መን ከም ዝዓጽዎ ዘይፍለጥ በተግ ኢልካ ዝውሰድ ስጉምቲ ምኻኑ ዝዛረብ ኣቶ ምስጋናው፡ \"ቴሌ ድዩ፣ እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ድዩ፣ ወይስ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ'ዮም ዝዓጽውዎ ዘለው ኣይፍለጥን። ብምኻኑ ድማ ነዚ ዝውስን ብግልጺ ዝተቐመጠ መምርሒ የድሊ'ዩ\" ኢሉ። ኢንተርነት እንትዕጾ ዝበጽሑ ክሳራታት ኣብ ቀረባ ኢትዮ-ቴሌኮም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ብምኽንያት ምዕጻው ኢንተርነት ብሚሊዮናት ዝግመት ክሳራ ከም ዝበጽሖ ሓቢሩ'ዩ። ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ሓደ ትካል ዘውጽኦ መጽናዕቲ ከም ዘመላክቶ፡ ኢንተርነት እንትዕጾ ኣብ ምጣነ ሃብታዊ ዕብየት ሓንቲ ሃገር ብማእከላይ 1.9 ሚኢታዊት ክሳራ የብጽሕ ይብል። ካብዚ ብተወሳኺ ይብል በዓል ሞያ ሕጊ ኣቶ ምስጋናው፡ ናይ ሓገዝ ገንዘብ ዝህባ ሃገራት ምምሕዳራዊ ስርሖም ብምኽንያት ምዕጻው ኢንተርነት እንትደናገ፡ ሰልቺዩዎምን ተስፋ ቖሪጾምን ሓሳቦም ክቕይሩ ይኽእሉ'ዮም። እዚ ከሕድሮ ካብ ዝኽእል ቑጠባዊ ጸቕጢ ብዝሰገረ፡ ኢትዮጵያ ብደረጃ ዓለም ዘለዋ ምስሊ ብምጽላም ጉድኣት ከብጽሐላ ከም ዝኽእል ዝዛረብ ኣቶ ሰለሞን፤ ግጭት ንምቁፍጻር ክብሃል ዝውሰድ ስጉምቲ፡ እቶም ጸገም ዝፈጥሩ ሰባት ኢንተርነት ብምዕጻው ካልእ መገዲ ክስእኑ ድዮም? ዝብል ክሕሰበሉ ይግባእ ኢሉ። እቲ በዓል ሞያ ሕጊ ብወገኑ፡ እዚ ኣብ ልዕሊ መሰል ሓሳብካ ብናጽነት ምግላጽ ዘሕድሮ ጽልዋ ቀሊል ከም ዘይኮነ የስምረሉ።","category":"ፌስቡክ","url":"https:\/\/www.bbc.com\/tigrinya\/news-49218875"} {"headline":"ጠንቂን ተርእዮታትን ፍንጣጣ ህበይ (ማንኪ-ፖክስ)","content":"ኣብ ኣመሪካ፡ ብምኽንያት ፍንጣጣ ህበይ ካልኣይ ሰብ ምማቱ ሓካይም መዝጊቦም። ኪንዮ እቲ ዝተራእየ ሞት ክልተ ዜጋታት ግን ሓካይም ንተርእዮን ሳዕቤናትን እዚ ሕማም ኣብ ምጽናዕ’ዮም ዝርከቡ። ኣብ ክልተ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ብዝገብሩዎ መጽናዕቲ ምሕባጥ ኣእምሮን ምግታር ጭዋዳታትን’ዩ ከም ዝርአ ድሮ መዝጊቦም ኣለዉ። ኣብ መላእ ዓለም ዛጊት 22-ሽሕ ሰባት በዚ ሕማም ምትሓዞም መዛግብቲ ይሕብሩ። እዚ ተርእዮ’ዚ እዚ ቫይረስ ብወግዒ ካብ ዝፍለጥ ወርሒ ግንቦት ምዃኑ’ዩ። እዚ ለብዒ ግን ካብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ኣትሒዙ ኣብ ምንቍልቋል’ዩ ዝርከብ። እዚ ዳሕራይ ኣብ ሎስ-ኣንጀለስ ዘጋጠመ ሞት፡ ግዳይ ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ኣዝዩ ተዳኺሙ ምንባሩ ይግለጽ። ሓካይም እቲ ዝሞተሉ ሆስፒታል ግን ኪንዮኡ ብዛዕባ’ቲ ዘጋጠመ ዝርዝር ኣይሃቡን። ከም ምኽሪ ግን በቲ ሕማም ንዝተጠርጡ ዜጋታት ቀልጢፎም ናብ ሕክምና ክመጹን እኹል ሓገዝ ኣብ ግዜኡ ምስ ዝረኽቡ ድማ ክፍወስ ከም ዝኽእል ሓካይም እቲ ሆስፒታል ኣብ ዘውጽኡዎ መግለጺ ኣመልኪቶም። ናይ ፈለማ ኣብ ኣመሪካ በዚ ቫይረስ ዝሞተ ሰብ ኣብ ክፍለ-ሃገር ቴክሳስ ብ30 ነሓሰ’ዩ። ዓቕሚ ምክልኻል እቲ ዝሞተ ሰብ ኣዝዩ ተጎዲኡ ብምንባሩ፡ ኣብቲ ሞት ቫይረስ ፍንጣጣ ህበይ ዝተጻወቶ ኣሉታዊ ተራ ንምፍልጥ ኣጸጋሚ’ዩ ነይሩ። እዚ ቫይረስ ዛጊት ኣብ ሕደ-ጾታ፡ ጾታዊ ርክብ ንዝፍጽሙ ዜጋታት’ዩ ዝያዳ ዘጥቅዕ ዘሎ። እዚ ዝመስል ቫይረስ ብልሙድ ብቀጥታዊ ርክብ፡ ብምስትንፋስ ዝሰጋገር ነጥሪን ገለ እዋን ድማ ሓደ ኣንሶላ’ውን ብምጥቃም ኢዩ ዝመሓላለፍ። ኣብዚ ናይ ሕጂ ለብዒ ግን ስጋዊ ርክብ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ምምሕልላፍ እዚ ቫይረስ ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ። ድሕሪኡ ድማ ናይ ሓንጎልን ዕትብቲ ሕቖን መሕበጥትቲን የርኢ። ማእከል ምልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣመሪካ በዚ ቫይረስ ንዝተታሕዙ ክልተ ዜጋታት ኣመልኪቶም ኣፈናዊ መጽናዕቲ ጌሮም፣ ንማሕተም ኣብቂዖም ኣለዉ። እዞም ክልተ ኣብ ሰላሳታት ዝርከቡ መንእሰያት ክታበት እቲ ቫይረስ ዘይወሰዱ ኢዮም። ኣብ ክልተኦም ነድሪ ሓንጎልን መትንታት ዓንዲ-ሕቖን ተዓዚቦም። ሓደ ካብቶም ደቂቕ ክትትል ዝተገብረሎም ግዳያት ኣብ ኮሎራዶ ዝቕመጥ፡ ኣብ ስጋዊ ዝምድና ሕደ-ጾታ ዝነጥፍ መንእሰይ’ዩ። በቲ ቫይረስ ድሕሪ ምልካፉ ረስኒ፡ ቀጻሊ ሳሓ ገጽ፡ ምንፋሕን ሕበጥን ፍረነብሲ ተርእዩዎ። ኣብ ርእሲኡ እቲ ሕሙም፡ ናብ ድንዛዘ ዝኸደ ምድኻም ኣካላትን ስእነት ግብረ-መልሲን ኣርእዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ ንምሻን’ውን ኣመና ተጸጊሙን ብቐጻሊ ቃንዛ ተሃስዩን። ሓደ ካብቲ ዝተራእየ ፍሉይ ክስተት ድማ እቲ ዜጋ ብቐጻሊ፡ ብርቱዕ ቃንዛ ዘለዎ ምውጣር ብልዕቲ ይሳቐ ምንባሩ’ዩ። እቲ ሕሙም ብኣፍ ዝወሰድ መድሃኒት ክወሃቦ ምስ ጀመረ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ምምሕያሽ ምርኣዩ ሓካይም የመልክቱ። እቲ ካልኣይ ደቂቕ ክትትል ዝተገብረሉ፡ በዚ ቫይረስ ዝተለኽፈ ዜጋ ነባሪ ዋሺንግተን’ዩ። ንሱ’ውን ኣብ ዕድመ ሰላሳታት ዝርከብ፡ ብተመሳሳሊ ኣዘውታሪ ሕደ-ጾታዊ ርክብ’ዩ። ንሱ’ውን ቀጻሊ ሰሓ፡ ናይ ጭዋዳታት ምጭብባጥ፡ ምድኻም ጸላም-ከብዲን ኣእጋርን ከም ዝተራእዮ መዛግብቲ ሕክምና ይጠቕሱ። ንሱ’ውን ድሕሪ ዝተዋህቦ መድሃኒት መጠናዊ ምምሕያሽ ደኣ ይግበር እምበር፡ ገና ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ክንክን’ዩ ዘሎ። ካብቲ ፈለማ ዝነበሮ ደረጃ ግን ተመሓዪሹስ ክዛረብ’ውን ክኢሉ ኣሎ። ነቲ መጽናዕቲ ዘካይዱ ዘለዉ ተመራመርቲ ኣብ መንጎ ክልተ በዚ ቫይረስ ዝተልኽፉ ግዳያት ዘሎ ተመሳሳሊ ተርእዮ ኣስተውዒሎም ኣለዉ። ግና ሕጂ’ውን ሳዕቤናትን ምልክታትን ክልተ ሕሙማን ፍልልይ ተራእዩዎ ኣሎ። እቲ ቫይረስ ኣብ መትንታት ሓንጎል ኣሉታዊ ተራ ከም ዘለዎ ድሮ ተገንዚቦም ኣለዉ። እቲ ሳዕቤን ነባሪ ስንብራት ዝገድፍ ድዩ ወይስ ግዜያዊ ግን ብሕጂ ምስ ግዜ ዝርአ’ዩ። እቲ ካልእ ንምርምር ግዜ ዝግደፍ ነጥቢ ድማ ኣብ ካልእ ኣካላት ዝገድፎ ናይ ምድኻም ዓቕሚን ተርእዮን’ዩ። ","category":"ጥዕና","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6748744.html"} {"headline":"መጓዓዝያ ምድሪ ክልል ትግራይ ስራሕ ይጅምር፣ ጋግ ግን ዓቢ'ዩ","content":"ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበረ ኲናት፡ መጓዓዝያ ምድሪ እቲ ክልል፡ ካብቲ ወሪዱዎ ዝጸንሐ ለጠቕታ፡ ሕጂ ናብ ብዙሓት ወገናት ትግራይ ስራሑ ጀሚሩ ኣሎ። እንተዀነ ትሕተ-ቅርጺ እቲ ጽላት ተሃይስዩ ብምጽናሑ፡ ዳግም ኣብ ምብርባሩ ሓያሎ ሃጓፋት ፈጢሩ ኣሎ። ሰብ-መዚ ከኣ ካብን ናብን ጎረባብቲ ክልላትን ዓበይቲ ከተማታትን ዘሎ መስመር ክኽፈት ይምሕጸኑ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%89%E1%8B%93%E1%8B%9D%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%AA-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8B%AD%E1%8C%85%E1%88%9D%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6980704.html"} {"headline":"እስክንድር ነጋ ካብ ማእሰርቱ ተፈቲሑ","content":"ጋዜጠኛን መስራቲን ባልደራስ ሓቀኛ ደሞክራሲ ዝተሰምየ ፖለቲካዊ ሰልፊ፡ እስክንድ ነጋ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዓርቢ ድሕሪ ምእሳሩ ድሕሪ ክልተ መዓልታት ከም ዝተፈትሐ፡ ንምንጭታት እቲ ሰልፊ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ጸብጺቡ።\\n\\nቅድሚ ማእሰርቱ ዝዀነ ክሲ ከም ዘይነበሮን ኣብ መዝገብ ተደለይቲ’ውን ዘይምጽናሑን ዝገለጸ ሰልፊ ባልደራስ፡ እቲ ብኣባላት ጸጥታ ኣብ ባህርዳር ተኣሲሩ ዝነበረ እስክንድር፡ ብዘይ ክሲ ምፍታሑ ኣመልኪቱ።\\n\\nብተደጋጋሚ እዋን ዝተኣስረ እስክንድር ነጋ፡ ድሕሪ ናይ 18 ኣዋርሕ ማእሰርቲ፡ ኣብ ጥሪ 2022 ምሕረት ተገይሩሉ ከም ዝተፈትሐ ይዝከር። ምኽንያት መእሰሪኡ ምስ ሞት ድምጻዊ ሃጫሉ ሁዴሳ ኣብ መፋርቕ 2020 ብዝተወልዐ ናዕብታት ምዃኑ ይንገር።\\n\\nብመሰረት ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ 2021 ኣብ ዝተገብረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ሰልፊ ባልደራስ ሓቀኛ ደሞክራሲ ሓንቲ መንበር’ውን ትዅን ኣይተዓወተን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A5%E1%88%B5%E1%8A%AD%E1%8A%95%E1%8B%B5%E1%88%AD-%E1%8A%90%E1%8C%8B-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%89%B1-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%89%B2%E1%88%91\/6980628.html"} {"headline":"ነባሮ ከተማ ሸገር ኣባይቶም ምፍራሱ ጥርዓኖም የስምዑ","content":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ነበርቲ ከተማ ሸገር ንዓመታት ዝነበርናሉ ገዛውትና ሕጋዊ ኣይኮነን ብምባል መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ የፍርሶ ኣሎ ክብሉ ንንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም። እቶም ካብ ክልተ ዓመት ክሳብ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ከፍለ ከተማ ለገጣፎ ከምዝነበሩ ዝገለፁ ወሃብቲ ርእይቶ፣ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ካብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ገዛውቶም ከምዘፍረሶን ሕጂ'ውን ከም ዝቐፀለሉን ይገልፁ። ንልዕሊ 10 ዓመታት ዝነበርናሎም ኣባይቲ ዘይሕጋዊ ክበሃሉ ኣይኽእሉን ዝበሉ እቶም ነበርቲ፣ እቲ ስጉምቲ ግቡእ ኣይኮነን ይብሉ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ርእይቶ ዝሃቡ ከንቲባ ከተማ ሸገር ዶ\/ር ተሾመ ኣዱኛ እቶም ዝፈርሱ ዘለዉ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተሰርሑ'ዮም ብምባል እቲ ስራሕ ምትግባር ልዕልና ሕጊ’ዩ ኢሎም። ነበርቲ ናይቶም መንበሪ ኣባይቲ ምፍራስ ብዘይ ቅድመ መጠንቀቕታ ከም ዝሳለጥን ብፍላይ ድማ ንተወላዶ ብሄረ ኦሮሞ ንዘይኰነ ዘተኰረን’ዩ ኢሎም ይኸሱ። ከንቲባ እታ ከተማ ግን ነቲ ዝቐረብ ክልተ ክስታት ይነጽጉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%90%E1%89%A3%E1%88%AE-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%B8%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%88%AB%E1%88%B1-%E1%8C%A5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%8A%96%E1%88%9D-%E1%8B%A8%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%8B%91\/6977583.html"} {"headline":"ምጥያስ ኮሚተ መሰጋገሪ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብዓይኒ ሞያውያን ሕጊ","content":"ንውዕል ስምምዕ ፕሪቶሪያ ስዒቡ፡ ኣብ ክልል ትግራይ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምጥያስ ትሽዓተ ዝኣባላታ ኮሚተ ቆይማ ኣላ። እዛ ብሌ\/ጀነራል ታደሰ ወረደ እትምራሕ ኮሚተን ካልእ ከይዲ መሰጋገሪ መንግስቲ ክልል ትግራይን ንምግምጋም ክልተ ሞያውያን ሕጊ ኣዘራሪብና ኣለና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%8C%A5%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%8C%8B%E1%8C%88%E1%88%AA-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%8B%93%E1%8B%AD%E1%8A%92-%E1%88%9E%E1%8B%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%95%E1%8C%8A\/6975909.html"} {"headline":"ቀታሊ ኒፕስይ ሃስል ን60 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ","content":"ንዕዉት ሽልማት ግራሚ ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ኤርሚያስ ኣስገዶም (ኒፕስይ ሃስል) ኣብ 2019 ኣብ ሎስ-ኣንጀለስ ንዝቐተለ ሰብ ትማሊ ረቡዕ ን60 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ። ቤት ፍርዲ ሎስ-ኣንጀለስ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ብይን፡ ኤሪክ ሆልደር በቲ ኣሰቃቒ ቅትለት ኒፕስይ ን50 ዓመታት ማእሰርቲ ክፈርዶ እንከሎ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ኣከባቢ ንኽልተ ሰባት ብጥይት ብምህራሙ ድማ ተወሳኺ ዓሰርተ ዓመት፡ ብድምሩ ድማ 60 ዓመታት ማእሰርቲ ፈሪዱዎ። ካብ ቀታሊ ጕጅለ ወጺኡ፡ ኣብ ሙዚቃ ራፕን ትካላት ንግዲን ዓቢ ለውጢ ዝገብር ዝነበረ ኤርሚያስ ኣስገዶም ኣብ 2019 ኣብ ዝተቐትለሉ ንብዙሓት ወገናት ዘሕዘነ ጸሊም ፍጻመ’ዩ ነይሩ። ኤርሚያስ ኣስገዶም ኣብ 2020 ድሕሪ ሞቱ ሽልማት ግራሚ ወሲዱ’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ ድማ ኣብ መበል 37 ዓመቱ፡ ኣብ መዝገብ ስሙያት ሰባት ሆልይዉድ (Hollywood Walk of Fame) ብስሙ ኮዀብ ተሰሪሑሉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80%E1%89%B3%E1%88%8A-%E1%8A%92%E1%8D%95%E1%88%B5%E1%8B%AD-%E1%88%83%E1%88%B5%E1%88%8D-%E1%8A%9560-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%AA%E1%8B%B1\/6975767.html"} {"headline":"ገለ ነበርቲ ኮምቦልቻ ኣብ እዋን ኲናት መኻይኖም ብምስራቖም ኣብ ጸገም ከምዝወደቑ ጥርዓኖም የቕርቡ","content":"ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝነበረ ኲናት ምኽንያት መኻይኖም ብምስራቖም ናብ ፀገም ከምዝወደቑ ገለ ነበርቲ ኮምቦልቻ ጥርዓኖም የቕርቡ። “መኻይና ኣብ ክልል ትግራይ ከምዝርከባ ኣረጋጊፅና ኢና” ዝብሉ ልዕሊ 50 ዝኾኑ ከሰስቲ መንግስቲ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ጉዳይ ዝተዘርፈ ንብረትና ጠመተ ክገብረሉ ይግባእ ክብሉ ሓቢሮም። ልዕሊ 77 ዝኾና ናይ ውልቀን መንግስትን መኻይን ኣብ እዋን እቲ ኲናት ተዘሪፎሙኒ ዝብል ቤት ፅሕፈት ህንፀትን ዳግመ እግሪ ምትካልን ክልል ኣምሓራ ብወገኑ ሕቶታት እቶም ከሰስቲ ንምምላስ ዓቕሚ ከምዝሓጽሮ ብምግላፅ ዝምልከቶም ኣካላት ውሽጢ ዓድን ደገ ነቲ ጉዳይ ክፈልጥዎ ከምዝገበረ ሓቢሩ። ቤት ፅሕፈት መጉዓዝያን መራኸብትን ክልል ትግራይ ብወገኑ “ዝተማረኻ” ክብል ዝገለፀን ናይ ውልቀ ሰብ መኻይን ናብ ሰብ ንብረት ምምላስ ፖሊሲኡ ምዃኑ ብምጥቃስ ኣብቲ እዋን ካብ ክልል ትግራይ ዝተዘርፋ ልዕሊ 6-ሽሕ መኻይን ከምዘለዋ ብምሕባር መንግስቲ ፌደራልን ክልልን ብሓንሳብ ክሰርሑ ከምዝግባእ ገሊፁ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%88%E1%88%88-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%AE%E1%88%9D%E1%89%A6%E1%88%8D%E1%89%BB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8A%96%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%89%96%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%B8%E1%8C%88%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%8B%B0%E1%89%91-%E1%8C%A5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%8A%96%E1%88%9D-%E1%8B%A8%E1%89%95%E1%88%AD%E1%89%A1\/6975956.html"} {"headline":"ሓገዝ ኣብ ዘይብሉ፡ ቍጽሪ ናብ ኢትዮጵያ ዝስደዱ ሶማላውያን ይውስኽ","content":"ብሰንኪ እቲ ኣብ ከባቢ ላስካኖድ ሶማል ተወሊዑ ዘሎ ጎንፂ ካብ ሃገሮም ተመዛቢሎም ናብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማልያ ዝኣተዉ ብዝሒ ሶማሊያውያን 83-ሽሕ ከም ዝበፅሐ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ጉዳይ ተመለስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ዘውጽኡዎ መግለፂ ኣፍሊጦም። እቲ ሓባራዊ መግለፂ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ዞባ ዶሎ ዝተዓቝቡ መብዛሕትኦም ደቀንስትዮን ህፃናትን ዝኾኑ ስደተኛታት፡ ስእነት መሰረታዊ ቀረባት ስለ ዘሎ ማሕበረሰብ ዓለም ክሕግዝ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ንድምፂ ኣመሪካ ርእይቶ ዝሃቡ ወሃቢ-ቃል ኣገልግሎት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኢትዮጵያ ኣቶ በአካል ንጉሴ፡ ካብቶም ኣብ ክልል ሶማልያ ዘለዉ 83-ሽሕ ስደተኛታት ክሳብ ሕጂ ሓገዝ ክረኽቡ ዝኸኣሉ እቶም 2-ሽሕ ጥራሕ ከም ዝኾኑ ሓቢሮም። እቶም ስደተኛታት መዓስከር ስለዘይብሎም ኣብ ሰጣሕ ጎልጎልን ትሕቲ ኣእዋምን ኣፅሊሎም ከም ዘለዉ እውን ኣቶ በኣካል ገሊፆም። ኣብቶም ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ከባቢ ላስኣኖድ ብዝተወለዐ ጎንፂ ልዕሊ 60- ሽሕ ሶማልያውያን ተመዛበልቲ ናብ ኢትዮጵያ ምእታዎም ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሓለፈ ዓርቢ ኣፍሊጡ ነይሩ። ብሰንኪ እቲ ጎንፂ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ 1000 ሰባት ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣትዉ ኣመልኪቱ። በቲ ኣብ ወረዳ ላስኮኖድ ሶማል ዘጓነፈ ጎንፂ፡ 185 ሽሕ ሰባት ከም ዝተመዛበሉ እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ'ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%89%8D%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%8B%B1-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8B%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%8B%8D%E1%88%B5%E1%8A%BD\/6974090.html"} {"headline":"ሄኖክ ምሉእብርሃን ዕዉት ሳልሳይ መድረኽ ዙር ሩዋንዳ 2023 ኰይኑ","content":"ኣስታት 200 ኪሎ-ሜተር ዝሸፈነ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ሩዋንዳ፡ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝተቓንዓሉ፡ ኤርትራዊ ተጻዋቲ ጋንታ ግሪን ፕሮጀክት ሄኖክ ምሉእብርሃን ቀዳማይ ብምውጻእ ናይ መድረኽ ብጫ ማልያ ካብቲ ንኽልተ መዓልታት ለቢሱዋ ዝቐነየ ኢታን ቬርኖን ተረኪቡዋ ኣሎ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ሳልሳይ መድረኽ ወዲ፡ጋንታኡ ንኢታን ቬርኖን ዝዀነ በልጅማዊ ዊልያም ሉሰርፍ ካብ ሶዳል ኲክ-ስቴፕ ካልኣይ ክወጽእ እንከሎ፡ ዩክሬናዊ ተጻዋቲ ክለብ ተረንጋኑ ፖልይጎን (Terengganu Polygon) ዝዀነ ኣናቶሊ ቡድያክ ድማ ሳልሳይ ወጺኡ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ሳልሳይ መድረኽ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዳዊት የማነ (ክለብ ባይክ ኣይዳ) ሻድሻይ ክወጽእ እንከሎ፡ ምስ ክለብ ተረንጋኑ ፖልይጎን ዝጥርነፍ መትከል ኢዮብ ድማ ሻውዓይ ወጺኦም ኣለዉ። ብዓለምለኸ ኮሚተ ብሽኽለታ ናይ 2.1 መዐቀኒ ዘለዎ ዙር ሩዋንዳ ንሓያሎ ዓበይቲ ክለባት ዘሰለፈ ውድድር’ዩ። ኣብ ዙር ፍረንሳይ ኣርባዕተ እዋን ዝተዓወተ ክሪስ ፍሩም’ውን ምስ እስራኤላዊት ጋንታኡ ተሰሊፉ ይወዳደር ኣሎ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ሳልሳይ መድረኽ ክሪስ ፍሩም መበል 22 ወጺኡ ኣሎ። ኣብዚ ዙር ኤርትራ ንሃገራዊት ጋንታ ዝውክሉን ምስ ክለባቶም ዝስለፉን ብድምድሩ ትሽዓተ ተቐዳደምቲ ኣለዉ። ካብ መንጎኦም ድማ ተዓዋቲ ዙር ሩዋንዳ 2010 ዝዀነ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ይርከቦም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%84%E1%8A%96%E1%8A%AD-%E1%88%9D%E1%88%89%E1%8A%A5%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%83%E1%8A%95-%E1%8B%95%E1%8B%89%E1%89%B5-%E1%88%B3%E1%88%8D%E1%88%B3%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%8A%BD-%E1%8B%99%E1%88%AD-%E1%88%A9%E1%8B%8B%E1%8A%95%E1%8B%B3-2023-%E1%8A%B0%E1%8B%AD%E1%8A%91\/6972229.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ ወልቅጤ ካብ ገዛ ዘይምውጻእ ኣድማ ምቕጻሉ ነበርቲ ይገልጹ","content":"ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጉራጌ ከተማ ወልቅጤ ካብ ገዛ ዘይምውጻእ ኣድማ ምቕጻሉ ነበርቲ ንድምጺ ኣመሪካ ይገልጹ`ለዉ። ዝሓለፈ ሰሙን ጸገማት ዝስተ ማይ ንክፍታሓሎም ሰላማዊ ሰልፊ ካብ መንጎ ዝወጹ ሰባት ገለ ከም ዝተቐትሉ ተጸብጺቡ ኔሩ`ዩ። በዚ ናይ ሎሚ ኣድማ ባንክታትን፡ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስትን ብሕትን ምዕጻዉ ይግለጽ ኣሎ። እዚ ናይ ሎሚ ኣድማ እቶም ቀተልቲ ናብ ሕጊ ክቐርቡን ቤተሰብ ግዳያት ካሕሳ ክኽፈሉን ድፍኢት ንምግባር ምዃኑን እቶም ነበርቲ ሓቢሮም ኣለዉ። ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ደቡብ፡ ነታ ከተማ ናብ ንቡር ንምምላስ ይጽዕር ምህላዉን፡ ረብሻ ኣልዒሎም ዝበሎም 15 ሰባት ምእሳሩን ኣፍሊጡ`ሎ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ሪፖርት፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ`ቶም ኣድመኛታት ዝወሰዶ ናይ ቅትለት ስጉምቲ ግቡእ ከምዘይነበረን ተሓተቲ ናብ ሕጊ ክቐርቡን ኣፍሊጡ ኔሩ`ዩ። ፖሊስ ብወገኑ ሕጋዊ ስጉምቲ ከም ዝተኸተለ ይማጎት። ነበርቲ ወልቂጤ ብወገኖም፡ ዝስተ ማይ ካብ ምሕታት ወጻኢ ንፖሊስ ከቖጥዕ ዝኽእል ነገር ከም ዘይገበሩ ይገልጹ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%89%85%E1%8C%A4-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8C%88%E1%8B%9B-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%8C%BB%E1%8A%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%B5%E1%88%9B-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%8C%BB%E1%88%89-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B9\/6972425.html"} {"headline":"ቀዳማይ መድረኽ ዙር ሩዋንዳ፤ ኢታን ቬርኖን ኣብ ዝተዓወትሉ፡ ሄኖክ ምሉእብርሃን ሳልሳይ ወጺኡ","content":"ንተዓዋቲ ኣርባዕተ ዓመታት ዙር ፍራንስ (ቱር ዲ ፍራንስ) እንግሊዛዊ ክሪስ ፍሩምን ካልኦት ዓበይቲ ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ዓለምናን ዝሓዘለ ዙር ርዋንዳ ሎሚ ሰንበት ኣብ ዘቃንዖ ፈላሚ ውድድር፡ እንግሊዛዊ ተሰላፊ ክለብ ሱዳል ኲክ-ስቴፕ ዝዀነ ኢታን ቬርኖንን ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ፡ ፈረንሳዊ ተሰላፋይ ጋንታ ቶታል ኢነርጂስ ኢሚልየን ጀኔር ካልኣይ፣ ንጋንታ ግሪን ፕሮጀክት ወኪሉ ዝተሰለፈ ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ድማ ሳልሳይ ወጺኦም። ሄኖክ ምሉእብርሃን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ጋና ዝተቓንዐ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ተዓዋቲ ዝነበረ’ዩ።\\n\\nኣብዚ ውድድር ብድምሩ፡ ንጋንታታቶምን ንሃገራዊት ጋንታን ወኪሎም ትሽዓተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ይሳተፉ ኣለዉ።\\n\\nኣብቲ ብዓለምለኸ ኮሚተ ብሽኽለታ 2.1 መዕቀኒ ብቕዓት ዘለዎን ሎሚ ሰንበት 115 ኪሎ-ሜተራት ዝሸፈነ ውድድር፡ ንኤርትራ ወኪሎም ዝስለፉ ሄኖክ ሃብተኣብ ሓሙሻይ ክወጽእ እንከሎ፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ድማ ዓስራይ ኰይኑ ውድድሩ ዛዚሙ።\\n\\nንእስራኤላዊት ጋንታ ፕሪመር ቴክ ዝስለፍ፡ ዕዉት ዙር ፍራንስ ክሪስ፡ ኣብዚ ናይ ሰንበት መኽፈቲ ውድድር መበል 44’ዩ ወዲኡ። ዕዉት ናይ ሓደ መድረኽ ዓቐብ ውድድር ፍራንስ 2015 ኤርትራዊ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት’ውን ንጋንታ ኤርትራ ወኪሉ ይወዳደር ኣሎ። ኣብዚ ናይ ትማሊ ሰንበት ቀዳማይ መድረኽ ድማ መብል 72 ኰይኑ ውድድሩ ወዲኡ። ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ዕዉት ዙር ሩዋንዳ 2010’ዩ ነይሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%8A%BD-%E1%8B%99%E1%88%AD-%E1%88%AD%E1%8B%8B%E1%8A%95%E1%8B%B3-%E1%8A%A2%E1%89%B3%E1%8A%95-%E1%89%AC%E1%88%AD%E1%8A%96%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%88%E1%89%B5%E1%88%89-%E1%88%84%E1%8A%96%E1%8A%AD-%E1%88%9D%E1%88%89%E1%8A%A5%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%83%E1%8A%95-%E1%88%B3%E1%88%8D%E1%88%B3%E1%8B%AD-%E1%8B%88%E1%8C%BA%E1%8A%A1-\/6969690.html"} {"headline":"“ንእሽቶ-ዓባይ” ሻም ጌሹ ብዝኽሪ ሓዋን መሳርሕታን","content":"ብጽልዋ ስድራቤት ካብ ብንእሽቶኣ ናብ ዓውዲ ስነ-ጥበብ ዝኣተወት ሻም ጌሹ፡ ኣብ በበይኑ መድረኻት ልዕሊ 35 ደርፍታት ኣበርኪታ’ያ። ሻም፡ ብዘጋጠማ ሓደጋ መኪና፡ ምስ ወዲ 7 ዓመት ውላዳ’ያ ኣብ መበል 31 ዓመት ዕድሜኣ ቀዳም 4 ለካቲት 2023 ዓሪፋ። መደብ ቂሐ-ጽልሚ ነዛ ኣብ ኣፍላ ኣበርክቶኣ ዝተዀልፈት ድምጻዊት ዝድህስስ’ዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%BD%E1%89%B6-%E1%8B%93%E1%89%A3%E1%8B%AD-%E1%88%BB%E1%88%9D-%E1%8C%8C%E1%88%B9-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%88%93%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%88%B3%E1%88%AD%E1%88%95%E1%89%B3%E1%8A%95\/6967830.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ተዓዋቲ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ሄኖክ ሙሉብርሃን","content":"ዋሽንግተን — ተዓዋቲ ቅድድም ብሽክለታ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2023 ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉብርሃን ኣብቲ ኣብ ከተማ ኣክራ ጋና ዝተኻየደ ውድድር ምስ ተቀዳደምቲ ሃገራዊት ጋንታ ኣልጀርያ ህልኽ ዝመልኦ ውድድር ምክያዱ ብምግላጽ፡ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክብረ-ወሰኑ ንምዕቃብ ግን ድርብ ሓላፍነት ብምሓዝ ክዕወት ምኽኣሉ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ፍሉይ ቃለ-መሕትት ሓቢሩ። ኣብ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2023 ኣብ ናይ ክሮኖሜተር ውድድር ካብ ትጽቢት ንታሕቲ ንዝተረኽበ ውጽኢት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ድማ እኹል ናይ ልምምድ ጊዜ ከምዘይነበረ ብምግላጽ እታ ጋንታ እቲ ውድድር ብቕጽበታዊ ቅድድም ከም ዝዛዘም ኣሚታ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ዙር ብዘርኣየቶ ናይ ቅጽበታዊ ውድድር ጻዕሪ ክትዕወት ምኽኣላ ሓቢሩ። ሄኖክ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ 19-26 ለካቲት ኣብ ዝካየድ ዙር ሩዋንዳ 2023 ንምስታፍ ምስ ክለቡ Green Project Bardiani Faizan ኣብ ሩዋንዳ ይርከብ። ንሱ ዋላ እኳ ምስ ክለቡ ተሰሊፉ ኣብቲ ውድድር ዝሳተፍ እንተኾነ: ምስ ኣብቲ ውድ ድር ትሳተፍ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዝርርብ ውጽኢት ብሓፈሻ ንደረጃ ኤርትራ ከዕብዮ ከምዝክእል ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ። ዊንታ ኪዳነ wkidane@voanews.com ጥለብ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%9D%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%8B%E1%89%B2-%E1%88%BB%E1%88%9D%E1%8D%95%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%88%84%E1%8A%96%E1%8A%AD-%E1%88%99%E1%88%89%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%83%E1%8A%95\/6967560.html"} {"headline":"ዓሰርተታት ኣሽሓት ሶማላውያን ናብ ኢትዮጵያ ይሃድሙ","content":"መብዛሕትኦም ቆልዓ-ሰበይቲ ዝርከቡዎም ኣስታት 60-ሽሕ ሶማላውያን ካብቲ ኣብ ሃገሮም ዝርአ ዘሎ ጎንጺ ንምህዳም ኣብ ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ከም ዘለዉ ወሃቢት-ቃል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብ ጀነቫ ገሊጻ። እታ በዓልቲ መዚ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝጠቐሰቶ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ 13 ንቝጣታትን መዓስከራትን ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ኣለዉ። ህዝቢ ብጽቡቕ ይቕበሎም ከም ዘሎ ዝሓበረት እታ ወሃቢት-ቃል ዳርጋ መዓልታዊ ሓደ-ሽሕ ዝበጽሑ ዜጋታት ይስደዱ ብምህላዎም ነቲ ዘሎ ሕጽረት ቀረባት መሊሱ ኣግዲዱዎን ንዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ከቃልዕ ተኽእሎ ዘለዎን’ዩ ኢላ። መብዛሕትኦም ስደተኛታት ኣባላት ቤተ-ሰቦም ኣብቲ ኲናት ዝኣተዉ ወይ ዝተቐትሉዎም ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣብቲ ብድርቂ ዝተሃስየ ከባቢ ይስደዱ ብምህላዎም ድማ ነቲ ዝጸንሐ ጸገማት ተወሳኺ ተጽዕኖ ይፈጥር ምህላዉ ሕቡራት ሃገራት የጠንቅቕን ሓገዝ ይጽውዕን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%BD%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8B%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%AD%E1%88%83%E1%8B%B5%E1%88%99\/6967514.html"} {"headline":"ተቓወምቲ ውድባት ክልል ትግራይ ንኮሚተ ምስረታ መሰጋገሪ መንግስቲ ይነፅጉ","content":"ሰለስተ ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ክልል ትግራይ ዝምስረት ጊዝያዊ ክልላዊ መንግስቲ ምስ ዘጣይሽ ኮሚቴ ርክብ የብልናን ኢሎም። ሳልሳይ ወያነ ትግራይ: ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ(ባይቶና)ን ውድብ ናፅነት ትግራይን ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ምስቲ ኮሚቴ ዘተ ንምክያድ ሎሚ መዓልቲ ቆፀራ ከም ዝነበሮም ብምግላፅ ናብቲ ኣኼባ ካብ ምኻድ ከም ዝተዓቀቡ ድማ ገሊፆም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%88%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B0-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%A8%E1%89%B3-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%8C%8B%E1%8C%88%E1%88%AA-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8B%AD%E1%8A%90%E1%8D%85%E1%8C%89\/6966447.html"} {"headline":"ኮምሽን ሰ\/መሰላት ህዝብታት ኣፍሪቃ ስርሑ ይቕፅል ምህላዉ ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ንዝተፈፀመ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ዘፃሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ህዝብታት ኣፍሪቃ ስርሑ ይቕፅል ምህላዉ ኣፍሊጡ። ኣቦ መንበር አቲ ኮምሽን ሬሚ ንጎይ ሉምቡ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ብምኽንያት እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክካየድ ዝፀንሐ ኲናት ንዝተፈጥረ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ንምፅራይ ዘካይዶ ዘሎ መፅናዕቲ ናብ ምዝዛሙ ገፁ ምዃኑ ገሊፆም። ንሶም ነዚ ዝበሉ ካብ ምጥያስ እቲ ኮምሽን ኣትሒዙ ክቃወም ዝፀንሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ “እቲ ኮምሽን ንብሕቱ ይገብሮ ንዘሎ መርመራታት ጠጠው ኣቢሉ ምስ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ትካላት ብሓባር ክሰርሕ ይግባእ\" ክብሉ ትማሊ ኣብ መበል 42 ኣፈፀምቲ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘስምዕዎ ናይ መኽፈቲ ዘረባ ስዒቡ ንዝቐረበሎም ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ኢዩ። ምክትል ቀ\/ሚ ኣቶ ደመቀ መኮንን ኣብቲ ናይ ትማሊ ዘረበኦም እቲ ኮምሽን ስርሑ ጠጠው ከብል ካብ ምሕታት ብተወሳኺ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዘጣየሾን ኣብ ቀረባ እዋን ስርሑ ንሓደ ዓመት ተናዊሑ ዝርከብ ዓለምለኸ ኮምሽን ሰብሞያ ሰብኣዊ መሰላት ስርሑ ጠጠው ከብል ዝሓትት ውሳነ ሓሳብ’ውን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ምድላዉን ኣብቲ ዝመፅእ ኣኼባ እቲ ቤት ምኽሪ ክቐርብ ምዃኑን እዮም ገሊፆም። እቲ ኮምሽን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ዘውፀኦ ሪፖርቱ ”ኣብ እዋን እቲ ኲናት ዝተፈፀሙ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ገበናት ኲናትን ክበሃሉ ዝኽእሉ ብርክት ዝበሉ በደላት ምፍፃሞም\" ገሊፁ መብዛሕትኦም ድማ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ተሓታታይ ምግባሩ ዝዝከር እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ሪፖርት ሙሉእ ብሙሉእ ከምዘይቅበሎ ክገልፅ ከሎ ህወሓት ግና ካብ ውሑዳት ነጥብታት ወፃኢ መብዛሕትኦም ከምዝቕበሎ ምግላፁ ይፍለጥ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9D%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%91-%E1%8B%AD%E1%89%95%E1%8D%85%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%89-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6966434.html"} {"headline":"ኣብ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዝነበረ ጸገም ብመሰረት ቀኖና'ታ ቤተ ክርስትያን ምፍትሑ ተገሊጹ","content":"ኣብ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዝነበረ ፀገም ብመሰረት ቀኖና ቤተክርስትያን ምፍትሑ እታ ቤተ ክርስትያን ኣፍሊጣ። ቅዱስ ሲኖዶስ ትማሊ ኣብዘውፀኦ መግለፂ ከምዝሓበሮ እታ ቤተክርስትያን ብዝወከለቶም ኣቦታትን ሽማግለታት ዓድን ኣቢላ ብዘካየደቶ ሰፊሕ ዘተ እቲ ፀገም ክፍታሕ ምኽኣሉ እዩ። እዚ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ሽማግለታት ዓድን ኣብ ዝተረኽቡሉ ነቲ ስምምዕነት ምቕባሉ ዝገለፀ እቲ ሲኖዶስ ምስቲ ጉዳይ ተተሓሒዙ ህይወቶም ንዝሰኣኑ’ውን ዘኪሮም። ብኻልእ ወገን ምስዚ ናይ ቤተክርስትያን ፀገም ተተሓሒዙ ተኣሲሮም ዝርከቡ መማህራን ሃይማኖት መናእሰይን ገሊኦም ኣብ ከባቢ ቦሌ ዝርከብ መንበሪ ከምዝርከቡ ክግለፅ ከሎ ገሊኦም ድማ ኣበይ ከምዘለዉ ከምዘይፈልጡ ስድረኦም ተዛሪቦም። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባን ክልል ኦሮሚያን ንዝተፈፀሙ ማእሰርትታት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ንዝምልከቶም ኣካላት፣ መሰኻኽር፣ ከምኡ’ውን ናይ ሕጊ ኣካላት ግዳያትን ብምዝርራብ ክትትል ይገብር ምህላዉ ኣፍሊጡ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A6%E1%88%AD%E1%89%B6%E1%8B%B6%E1%8A%AD%E1%88%B5-%E1%89%A4%E1%89%B0%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%A2%E1%88%A9-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%8C%B8%E1%8C%88%E1%88%9D-\/6965941.html"} {"headline":"ኣብ ወልቂጤ ኣብ እዋን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ብዝተላዕለ ጎነጺ 4 ሰባት ምሟቶም ነበርቲ ገሊጾም","content":"ትማሊ ሓሙስ 15 የካቲት 2023 ኣብ ከተማ ወልቂጤ ዝስተ ማይ ክንረክብ ተፀጊምና ብዝብል ተቓውሞ ናብ ጎደናታት ዝወፁ ሰልፈኛታት ብዘይተፀበይዎ ኩነታት ንሞትን መቑሰልትን ምቕልዖም ነበርቲ እታ ኸተማ ንድምፂ ኣመሪካ ሓቢሮም። ኣቶ ሙክሪም መኑር ዝተባህሉ ነባሪ ከተማ ወልቂጤ ከምዝበልዎ እቲ ህዝቢ ዝስተ ማይ ዝረኽበሉ ኩነታት ክመዓራረየሉ ካብ ምሕታት ወፃኢ ዘልዓሎ ካልእ ንመንግስቲ ኮነ ናይ ፖሊስ ሓይሊ ኣቖጢዑ ጠመንጃዊ መልሲ ዘውህብ ሕቶ ኣብቲ ሰልፊ ዘይምንጽብራቑ ተዛሪቦም። ንሶም ወሲኾም ካብ ፖሊስ ክልል ደቡብ ብዝተተኮሰ ጥይት ኣርባዕተ ሰባት ምሟቶምን ብዙሓት ድማ ምቑሳሎም ገሊፆም። ኣብ ዩኒቨርስቲ ወልቂጤ ስፔሻላይዝድ ሪፌራል ሆስፒታል ሜዲካል ዳይሬክተር ዝኮኑ ሬቢል ኣሊ በቲ ዝተፈጥረ ጎንፂ ጉድኣት በፂሑዎም ናብቲ ሆስፒታል ዝመፁ 16 ሰባት ምትእንጋዶምን ካብኣቶም ክልተ ሰባት ናብቲ ሆስፒታል ምስ በፅሑ ድሕሪ ክልተ ሰዓት ክሞቱ ከለዉ ካልኦት ክልተ ድማ ንዝለዓለ ሕክምና ናብ ኣዲስ ኣበባ ምልኣኾም ተዛሪቦም። ንሶም ወሲኾም ኣብዚ እዋን ብዘይኻ ኣርባዕተ ሰባት ካልኦት እኹል ሕክምና ተገይሩሎም ናብ ገዛውቶም ምምላሶም ገሊፆም። ኮምሽነር ፖሊስ ክልል ደቡብ ኣለማየሁ ማሞ ትማሊ ኣብታ ከተማ ህውከት ተፈጢሩ ምንባሩ ብምርግጋፅ ነቲ ሰልፊ ምኽንያት ብምግባር ግን ዘይሕጋዊ ተግባራት ምፍፃሞም ተዛሪቦም። ነዚ ጠጠው ንምባል ብዝተገብረ ፈተነ ሂወት ሰባት ምሕላፉ’ውን ሓቢሮም። እቲ ተቓውሞ ሎሚ’ውን ዝቐፀለ ኾይኑ ትካላት መንግስትን ውልቂን ምዕፃዎምን ደሕንነታውን ፀጥታውን ስራሕቲ ብጥሙር ኮማንድ እዝ ይምራሕ ምህላዉን እቶም ኮምሽነር ተዛሪቦም።ይኹን’ምበር ነዚ ተባሂሉ ዝተኣወጀ ሓፈሻዊ ውተሃደራዊ እዚ ዘይምህላዉ ኮምሽነር ኣለማየሁ ገሊፆም። ኣብ ደቡብ ክልል ይካየድ ምስ ዘሎ ምስረታ ክልል ኣወዳድማን ተተሓሒዙ ጉራጌ፣ ንቤት ምኽሪ እቲ ክልል ሓዊሱ ምስ ካልኦት ብሄር ብሄረሰባት ዘይኮነስ ንርእሳ ዝኸኣለት ውዳበ ምስ ምሕታት ተተሓሒዙ ቅድም ኢሎም ይለዓሉ ምስ ዝነበሩ ሕቶታት ተተሓሒዙ ብፍላይ ከተማ ወልቂጤ ሙሉእ ሰላም ከምዘይነበራ ሪፖርተር ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝለኣኾ ጸብጻብ ይሕብር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%89%82%E1%8C%A4-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%88%9E-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88-%E1%8C%8E%E1%8A%90%E1%8C%BA\/6965992.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ መቐለ ዝተሰናደአ ንዘቤታዊን ከባቢያዊን ሰላም ዝምልከት ዓውደ-ዘተ","content":"ዝሓለፈ ቀዳም፡ ኣብ ከተማ መቐለ ንዘቤታዊን ከባቢያዊን ሰላም ዝምልከት ዓውደ-ዘተ ተኻዪዱ ነይሩ። እዚ ብ “ማእከል ኣማራጺ ኣተኣላልያ ጎንጺ” ዝተባህለ ትካል ተዳልዩ ዝተሰናድአ ዘተ፡ ካብ በበይኑ ኣካላት ሕብረተሰብ ኣስታት 300 ተሳተፍቲ ዝሓቘፈ ምንባሩ፡ ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፈ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ኣመልኪቱ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%8A%93%E1%8B%B0%E1%8A%A0-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%89%A4%E1%89%B3%E1%8B%8A%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8B%93%E1%8B%8D%E1%8B%B0-%E1%8B%98%E1%89%B0\/6965788.html"} {"headline":"ኮሚሽን ሰ\/መሰላት ኢትዮጵያ ንቕትለት ዜጋታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ንግንባር ናጽነት ኦሮሞ ይወቅስ","content":"ብመንግስቲ ዝምወል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ብግንባር ናጽነት ኦሮሞ 50 ዜጋታት ምቕታሉ ገሊጹ። ከም ጸብጻብ እቲ ኮሚሽን ብ2 ለካቲት ኣብ ኣኖ ዝተባህለ ቦታ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ንውሽጣውያን ተመዛበልቲ ዒላማ ዝገብረ’ዩ ነይሩ። ከም ጸብጻብ እቲ ኮሚሽን እቲ ኣብ ምብራቕ ወለጋ-ኦሮሚያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንተወላዶ ኣምሓራ ዝዓለመ ኰይኑ፡ መንግስቲ ድሕነት ዜጋታት ዘውሕሰሉ መገዲ ክፈጥር ጸዊዑ። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ኮሚሽን ጸብጻቡ ስድራቤት ግዳያትን ምንጭታት መንግስቲን ብምውካስ’ዩ ኣዳልዩ። እንትርፎ እቶም ዝጠቐሶም ምንጭታት ካልእ ተወሳኺ መረዳእታ ከም ዘየቕረበ ዝሓበረ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ፈጸምቲ ናይቲ መጥቃዕቲ ድማ እቲ ብመንግስቲ ከም ኣሸባሪ ዝፍለጥ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ። ወሃብ-ቃል ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ዝዀነ ኦዳ ተርቢ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዒላማ ዘይኰነ መዓለሚ መዓስከር ሰራዊት ኣምሓራ ምዃኑ ጠቒሱ ነይሩ። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ነቲ ጸብጻብ ኣብ ዘዳለወሉ እዋን ግን ካብቲ ወሃብ-ቃል መብርሂ ክረክብ ኣይከኣለን። ወሃብ-ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ለገሰ ቱሉ፡ ነቲ ጉዳይ ንምብራህ ብኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዝተገብረ ፈተነ’ውን ኣይሰለጠን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%89%95%E1%89%B5%E1%88%88%E1%89%B5-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%AA%E1%89%B1-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8B%98%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%88%96-%E1%8C%B8%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%8A%93%E1%8C%BD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9E-%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%89%85%E1%88%B5-\/6965735.html"} {"headline":"ኣብ ጉዳይ ምጥያስ መሰጋገሪ መንግስቲ ክልል ትግራይ","content":"ብጀነራል ታደሰ ወረደ እትምራሕ ኮሚተ ምጥያስ መሰጋገሪ መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ብዛዕባ ዕማማት እታ ኮሚተን ዝምስረት መንግስቲ ኣመልኪታ ሎሚ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂባ ኣላ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%8C%A5%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%8C%8B%E1%8C%88%E1%88%AA-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/6964284.html"} {"headline":"ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምብጻሕ የካይድ","content":"ምኽትል ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ሞሊ ፊን፥ ፍሉይ ፕረዚደንታዊ ወኪል ዋዕላ መራሕቲ ኣመሪካን ኣፍሪቃን ኣምባሳደር ጆን ካርሰን ዝሓወሰ ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣመሪካ ዝርከቡዎ ጉጅለ ልኡኽ ኣመሪካ ካብ 14 ክሳብ 19 ለካቲት 2013 ዝፀንሕ ዑደት ንምፍፃም ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ። እቲ ሸውዓተ ኤጄንስታት ኣመሪካ ዝሓቖፈ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ሰበስልጣን መንግስትን ጎናዊ ድማ ምስ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ክራኸብ እዩ። እቲ ልኡኽ ብዛዕባ ቅልውላው ውሕስነት መግብን ኣብ ኣፍሪቃ ዘሕደሮ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ፅልዋን ከምኡ እውን ኣመሪካ ኣብ ዋዕላ ኣመሪካን ኣፍሪቃን ዝኣትወቶ መፅብዓ ቀፃልነቱ ንምክትታልን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ክዘራረብ እዩ። እቲ ጉጅለ ልኡኽ ምስጓም ውሕስነት መግቢ ንምሕያልን ብመንግስቲ ኣመሪካ ይካየድ ዘሎ መፃኢ ወለዶ ንመግብ Fee the Future ዝተባህለ ተበግሶ ከጉልሕን እዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8B%E1%8B%AD-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8B%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B5\/6964155.html"} {"headline":"“መንግስቲን ህዝቢን ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ድሉዋት ኢና” ነድ ፕራይስ ኣብ ምትፍናን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን","content":"ወሃብ-ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነድ ፕራይስ፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ሰሙናዊ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንመርገጺ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ግጭት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተሓተተሉ፡ “ምስ ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ መላፍንቲ ኢና፡” ክብል መሊሱ። እቲ ወሃብ-ቃል ወሲኹ፡ ከምቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝነበረ ጎንጺ ኣብ ምዕራፍ መንግስቲ ኣመሪካ ዝሰርሖ፡ ሕጂ’ውን ኣብቲ ተላዒሉ ዘሎ ፍልልይ ንህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ ብዘርብሕ መገዲ ኣመሪካ ተራኣ ክትጻወት ምዃና መሊሱ። ፕራይስ፡ ነቲ ኣብ በበይኑ ወገናት ኢትዮጵያ፡ ከምእኒ ክልል ኦሮሚያ ኣጋጢሙ ዘሎ ጎንጺ’ውን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ዝርርብ ከም ዘለዉ ጠቒሱ። ብተመሳሳሊ’ውን እቲ ወሃብ-ቃል፡ ንርግኣት ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ ምስ ኵላቶም ወገናት ሓቢሮም ክሰርሑ ምዃኖም ቃል ኣትዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%90%E1%8B%B5-%E1%8D%95%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8D%8D%E1%8A%93%E1%8A%95-%E1%8A%A6%E1%88%AD%E1%89%B6%E1%8B%B6%E1%8A%AD%E1%88%B3%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%89%A4%E1%89%B0-%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95\/6962338.html"} {"headline":"ኣብ ቤንሻንጉል ጉምዝ ተዛማዲ ሰላም ምስፋኑ ነበርቲ ገሊጾም","content":"ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ተዛማዲ ሰላም ምስፋኑ፣ ተቋሪጹ ዝነበረ ማሕበራዊ ርክባት ናብ ንቡር ይምለስ ከምዘሎ ነበርቲ ዞባ መተከልን ኣሚሽናን ገሊጾም።\\n\\nኮምሽነር ፖሊስ’ቲ ክልል ሃሩን ዑመር ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ \"ደባይ ተዋጋእቲ፣ ምስ ክልላዊ መንግስቲ ድሕሪ ዝኸተምዎ ውዕል፣ እቲ ክልል ድምጺ ተኹሲ ዘይስማዓሉን፣ ሞትን ምፍንቓልን ደው ዝበለሉ ኮይኑ ኣሎ\" ይብል።\\n\\nኣቦ መንበር ጉህዴን ግራኝ ጉደታ ብወገኖም እቲ ዓሲሉ ዘሎ ተዛማዲ ሰላም፣ ኣብ ውሽጢ’ቲ ክልል ንዝርከቡ ልምዓታዊ ስራሓት ከምዘቐላጥፍ እምነቶም ገሊጾም ኣለው። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%A4%E1%8A%95%E1%88%BB%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%8D-%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%8B%9D-%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%88%9B%E1%8B%B2-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8D%8B%E1%8A%91-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/6962598.html"} {"headline":"ሓጺር ጸብጻብ፤ ቃለ-ምልልስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘቤታዊን ዓለማዊን ኵነታት","content":"ካብ ምጽዋዕ ዝተኻየደ ቀዳማይ ክፋል ቃለ-ምልልስ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዛዕባ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ዝካየድ፡ ብድምሩ ድማ ንሓደ ወርሒ ዝዝርጋሕ ምዃኑ ኣብ መእተዊ እቲ መደብ ተሓቢሩ። ኣብዚ ናይ ሰንበት ፈላሚ ቃለ-ምልልስ ንኩነታት መሪሕነት ትግራይ ብመንጽር ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ከምኡ’ውን ንኣመሪካ ዘማእከለ ዓለማዊ ኣቃውማን ዝሓቍፍ’ዩ ነይሩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ቃለ-ምልልሱ፡ ናብ ኲናት ምስ ክልል ትግራይ ዝተኣትወሉ ምኽንያት ከብርህ እንከሎ፡ ብወገን ወተሃደራዊ መሪሕነት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ፈደራልን ዳሕራይ ድማ ኤርትራን መጥቃዕቲ ምስ ተኻየደ ናብቲ ኲናት ክኣትዉ ከም ዝተገደዱ ኣመልኪቱ። ከም መግለጺ ፕረዚደንት ኢሳይያስ እቲ ኲናት ካብ ፈለማኡ “ብመሪሕነት ትግራይ ዘይኰነስ ብዋሽንግተን’ዩ” ዝዝወር ኢሉ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዘረባኡ፡ መራሕቲ ክልል ትግራይ ኣተግበርቲ ናይቲ መደብ እምበር ሓንጸጽቲ’ውን ኣይኰኑን። እቲ ዝተወጠነ ወታሃደራዊ መደብ ከምቲ ዝተደልዮ ገስጋስ ስለ ዘየርኣየ፡ ምምሕዳር ዋሽንግተን ንምድሓን ከም ዝተጓየዩ ድማ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ገሊጹ። ኣብ ፕሪቶሪያን ናይሮቢን ዝተፈረመ ስምምዓት ድማ ብኣመሪካ ተዳልዩ፡ ፈረምቲ’ውን ርእይቶ ኣብ ዘይብሎም ውዱእ ሰነድ ክፍርሙ ከም ዝተገብረ ገሊጹ። ቅድሚ ሕጂ ብሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ዝወሃብ ዝነበረ ተደጋጋሚ መግለጺታት፡ መንግስቲ ኣመሪካ ነቲ ኲናት ብሰላማዊ መገዲ ዝዓርፈሉ መገዲ ከም ዝድግፍ’ዩ። ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝምእከል ዘተ ሰላም ምሉእ ብምሉእ ከም ዝድግፍ ድማ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ በበይኑ ኣጋጣሚታት ጠቒሱ ምንባሩ ይዝከር። ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ብብዙሓት ወገናት ከዛርብ ጸኒሑ’ዩ። ዋላ’ኳ ብፍሉይ በቶም ጋዜጠኛታት ሕቶ ደኣ ኣይቕረበሉ’ምበር፡ ኣብቲ ኣስታት 40 ደቒቕ ኣቢሉ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ዝሃቦ መግለጺ ግን ተንኪፉዎ ነይሩ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ናይ ኤርትራ ምውጻእን ዘይምውጻእን “ምስምስም ንምትዕንቓፍ መስርሕ ሰላም’ዩ፡” ኢሉ ገሊጹዎ። ብዛዕባ ኣብ ክልል ትግራይ ተሪፉ ክህሉ ዝኽእል ሰራዊት ኤርትራ ወይ ድማ ኣብ ዶባት ምስ ሰሓበ፡ ሰራዊት ኤርትራ ዓሪዱሉ ዘሎ ቦታታት ግን መብርሂ ኣይሃበን። ብጋዜጠኛታት’ውን ነዚ ዝመስል ኣርእስቲ ኣይተሓተተን። ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረ ኲናት፡ ብዅላቶም ተሳተፍቲ ኣካላት፡ እንኮላይ ሰራዊት ኤርትራ፡ ከበድቲ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ከም ዝተፈጸመ በበይኖም ተሓለቕቲ ኣካላት ጸብጺቦም’ዮም። ብዛዕባኡ ግን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ቃለ-ምልልስ ኣይጠቐሰን። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብድምሩን ወገናት ከይሓበሩን ኣማኢት ኣሽሓት ከም ዝተቐትሉ ኣመልኪቱ ነይሩ። ኣብቲ ኲናት ብወገን ኤርትራ ዘሎ ሰብኣዊ ክሳራ ግን ኣይሓበረን። እዚ ሕቶ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ናይሮቢ ኬንያ’ውን ብጋዜጠኛታት ተሓቲቱ ነይሩ። ኣብ እዋኑ’ውን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቶ ሕቶ ኣይመለሳን። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንዓለማዊ ፖለቲካዊ ዝምድናታትን ዝምልከት ርክብ ኤርትራን ምዕራብን፡ ብቐንዱ ድማ ተወራረስቲ ምምሕዳራት ኣመሪካ ንኣስታት 60 ዓመታት ዘይቅዱው ምንባሩ ብምጥቃስ፡ ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ ግን ብፍሉይ ነቲ ሓርፋፍ ዝምድና ንምዕራይ ከም ዝተፈተነ ሓቢሩ። ናብ ፕረዚደንት ትራምፕ ደብዳብ ድሕሪ ምልኣኽ፡ “ምስ ኵሉ ዝበልካዮ ዘይክሰማምዕ ይኽእል’የ። ንመጻኢ ግን ብሓባር ክንሰርሕ ንኽእል ኢና፡” ዝብል ምላሽ ካብ ፕረዚደንት ትራምፕ ምርካቡ ጠቒሱ። ድሕሪኡ ግን እቲ ዝምድና ከም ዘይቀጸለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ወሲኹ ገሊጹ። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዋሺንግተን ኣብ ዝተጋብአ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ኣመሪካን፡ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ውሑዳት ናብቲ ኣጋጣሚ ዘይተዓደማ ሃገራት ምንባራ ይዝከር። እቲ ኣርባዕተ ሕቶታት ዝሓቘፈ ቀዳማይ ክፋል ቃለ-ምልልስ ንሰዓትን 20 ደቓይቕን’ዩ ከይዱ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8C%BA%E1%88%A9-%E1%8C%B8%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%89%A5-%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%88%8D%E1%88%B5-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AD%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%98%E1%89%A4%E1%89%B3%E1%8B%8A%E1%8A%95-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9B%E1%8B%8A%E1%8A%95-%E1%8A%B5%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5\/6960863.html"} {"headline":"ውድብ ናፅነት ትግራይ ከካይዶ መዲቡ ዝነበረ ዋዕላ ምክልኻሉ ገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ዝንቀሳቐስ ውድብ ናፅነት ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ከካይዶ ተሊምዎ ዝነበረ ህዝባዊ ዋዕላ ብሓይልታት ፀጥታ ከምዝተኸልከለ ገሊፁ። ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከተማ መቐለ እቲ ውድብ ኣኼባ ንምክያድ ካብ ምምሕዳር እቲ ከተማ ፍቓድ ኣየውፀአን ክብል ምላሽ ሂቡ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%8A%93%E1%8D%85%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6-%E1%88%98%E1%8B%B2%E1%89%A1-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%8B%8B%E1%8B%95%E1%88%8B-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%89-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6960969.html"} {"headline":"ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2023 ብምዃን ተዓዊቱ","content":"ካብ 8 ለካቲት 2023 ጀሚሩ ኣብ ኣክራ-ጋና ክቃናዕ ዝቐነየ ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ፡ ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃንን ሎሚ ሰኑይ ተዛዚሙ። ኣብቲ ሎሚ ዝተኻየደ መዛዘሚ መድረኽ፡ 120 ኪሎ-ሜተር ዝሸፈነ ውድድር፡ ኣብ መወዳእታ ሓያል ቅጽበታዊ ውድድር ዝሰዓረ ሄኖክ፡ ንኻልኣይ እዋን ኣከታቲሉ ተዓዋቲ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ኰይኑ። ዓሚ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሻምፕዮን ኣፍሪቃ’ውን ሄኖክ ምሉእብርሃን ብተመሳሳሊ ተዓዋታይ’ዩ ነይሩ። ኤርትራ ካብ 2010 ኣትሒዛ ነዚ ውድድር ክትዓወትሉ ጸኒሓ’ያ። በዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ዓወት ድማ ክብራ ዓቂባ ኣላ። ኣብዚ ውድድር ሃገራዊት ጋንታ ኣልጀሪያ ካልኣይቲ ክትወጽእ እንከላ፡ ሞሮኮ ድማ ሳልሰይቲ ተሰሪዓ ኣላ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%84%E1%8A%96%E1%8A%AD-%E1%88%9D%E1%88%89%E1%8A%A5%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%83%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%88%BB%E1%88%9D%E1%8D%95%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%89%85%E1%8B%B5%E1%8B%B5%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%88%BD%E1%8A%AD%E1%88%88%E1%89%B3-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-2023-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%8A%E1%89%B1\/6960828.html"} {"headline":"ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኸዱ ዝነበረ ተጓዓዝቲ ናብታ ከተማ ከይንኣቱ ተኸልኪልና ክብሉ ጥርዓን ኣቕሪቦም","content":"ካብ ክልል ኣምሓራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኸዱ ዝነበሩ ተጓዓዝቲ ናብታ ከተማ ከይንኣቱ ተኸልኪልና ክብሉ ጥርዓን ኣቅሪቦም። ንሬድዮ ድምፂ ኣመሪካ ርእይቶኦም ዝሃቡ’ቶም ተጓዓዝቲ \"ንኽልል ኣምሓራን ኦሮምያን ኣብ ዘራኽብ ከባቢ ጎሃ ፅዮን ክንበፅሕ ከለና ክዳን ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኦሮምያ ዝተኸደኑ ዕጡቓት ክንምለስ ጌሮምና\" ኢሎም’ለዉ። እቶም ተጓዓዝቲ ወሲኾም ለካቲት 2ን 3ን 2015 መንነት ወረቀት ክልል ኣምሓራ ንዝሓዙ ጥራይ ፈልዮም ይምለሱ ከምዝነበሩን ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ንነጀው ግን ንኹሎም ተጉዓዝቲ ከምዝኸልከሉ ተዛሪቦም። ኣብዚ ሰዓት’ውን ሓያለ ተጉዓዝቲ ይከላበቱ’ለዉ ክብሉ ሓቢሮም። ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ካብ ፌደራል መንግስቲ ምላሽ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይተዓወተን። ምኽትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፀጥታ ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ኮሎኔል አበበ ገረሱ ግን ዝተዓፅወ መንገዲ የለን ኢሎም’ለዉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8B%9D%E1%8A%B8%E1%8B%B1-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%89%B0%E1%8C%89%E1%8B%93%E1%8B%9D%E1%89%B2-\/6961075.html"} {"headline":"ሊቃነ-ጳጳሳት ክልል ትግራይ ንዝቐረበሎም ፃውዒት ኣይተቐብሉን","content":"ቅዱስ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ሊቃነ ጳጳሳት ተቋሪፁ ዝፀንሐ ርክብ ንክቕፅል ዘቕረቦ ፃውዒት ከም ዘይቅበሉዎ ሊቀ-ጳጳስ ሃገረስብከት ዓዲግራት ብፁእ ኣቡነ መርሃክርስቶስ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም። ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዛዕባ ዘሎ ፍፃመታት ርእይቶ ተሓቲቶም ድማ “ዝፈልጦ ነገር የለን” ኢሎም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8A%E1%89%83%E1%8A%90-%E1%8C%B3%E1%8C%B3%E1%88%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%88%A8%E1%89%A0%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8D%83%E1%8B%8D%E1%8B%92%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%89%90%E1%89%A5%E1%88%89%E1%8A%95\/6957418.html"} {"headline":"ንሰላም ክልል ኦሮምያ ልዝብ ክካየድ ጻውዒት ቐሪቡ","content":"ኣብ ክልል ኦሮምያ ዘሎ ዘይምርግጋእ ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ማሕበረሰብ ተወላዶ ኦሮሞን ሲቪል ማሕበራትን ኣብ ዘውጽእዎ ቅሉዕ ደብዳበ ጻውዒት ኣቕሪቦም። ናይ ኦሮሞ ናይ ውርሲ ማሕበር ብምባል ዝጽዋዕ ጉጅለ ትማሊ ሓሙስ ወግዓዊ ዝገበሮ ምድላውን ናብ ድምጺ ኣመሪካ ዝለኣኾ ቅሉዕ ደብዳበ እቲ ማሕበር ባዕሉ ዝርከቦ ሲቪል ማሕበራት ነቲ ደብዳበ ናብ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ: ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ሽመልስ ኣብዲሳን ኣዛዚ ናጽነት ኦሮሞ ንዝበሎ ኩምሳ ድርባ ወይም ጃል ማሮ ዝቐንዐ'ዩ። \"ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰላማዊያን ተወላዶ ኦሮሞ ተቐቲሎም: ተኣስሮም: ስቅያት በጺሕዎም: ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ካብ መንበሪኦም ተፈናቂሎም\" ዝበለ እቲ መግለጺ ኣብ ቀረባ ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርትያን ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ክፍተት ነዚ ሓደገኛ ዝበሎ ኩነታት ዘጋድ ድ ከይከውን ዘለዎ ስግኣት'ውን እቲ ደብዳበ ይገልጽ። ህዝቢ ኦሮሞ ህወከት ኣጋጢምዎ'ሎ ዝበለ ቅሉዕ ደብዳበ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ናብ ናይ ልዝብ መድረኽ ክቐርቡ ኣለዎም ኢሉ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ኦሮሞ ከምዝኣምንን ነቲ ግጭት ድማ ሰላማዊ ፍታሕ ከናድዩ ኣተሓሳሲቡ'ሎ። እቲ ልዝብ ሰላም ብሕብረት ኣፍሪቃ እንተተመሪሑ ድማ ዕውት ክኸውን ይኽእል'ዩ ኢሎም ከምዝኣምኑ ዝገለጸ ቅሉዕ ደብዳበ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ድማ ድጋፉ ክህብ ጸዊዑ'ሎ። ኣብቲ ደብዳበ ዝተገለጹ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ምላሽ ንምርካብ ንሰርሕ ምሕላውና ክንሕብር ንፈትው","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%88%8D%E1%8B%9D%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8C%BB%E1%8B%8D%E1%8B%92%E1%89%B5-%E1%89%90%E1%88%AA%E1%89%A1\/6958080.html"} {"headline":"ጉጅለ ልኡኽ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ምስ ቀ\/ሚ ኣብይ ተራኺቦም፣ ተዘራሪቦም","content":"ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብዝተገብረ ልዝብ መብዛሕትኡ ሕቶታት’ታ ቤተ ክርስትያን ከምዝተመለሰ ኣፍሊጣ። ንፓትሪያርክ’ታ ቤተ ክርስትያን ሓዊሱ ሊቃነ ጳጳሳት’ዉን ዝሓቆፈ ጉጅለ ልኡኽ ሎሚ ምስቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝገበሮ ልዝብ ንመብዛሕትኡ ሕቶታት መልሲ ምሃቡ ዋና ፀሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣቡነ ጴጥሮስ ገሊጾም። ብኻልእ ወገን ሲኖዶስ’ታ ቤት ክርስትያን ዘይሕጋዊ’ዩ ዝብልን “ሲኖዶስ ብሄር ብሄረሰባት ኦሮምያ” ብዝብል ዝተመስረተ ኣካል ን5 ለካቲት ዝፀወዖ ሰልፊ ንኻልእ ግዜ ምንዉሑ ኣፍሊጡ’ሎ። ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ካብ ስልጣን ክህነቶም ኣልየ ፈልየዮም ዝበለቶም ኣቡነ ሳዊሮስ ብወገኖም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ንኸይዲ’ቲ ዕርቀ ሰላም ከምዝድግፉ ገሊፆም’ለዉ። ብኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ናይ እገዳ ሕቶ ዝቀረበሉ ቤት ፍርዲ: እታ ቤተ ክርስትያን ኣብ ልዕሊ ዘውገዘቶም ተፀዋዕቲ ትእዛዝ እገዳ ምሃቡ ተገሊፁ’ሎ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኢሰመኮ ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኸኣ ኣብ ውሽጢ’ታ ቤተ ክርስትያን ምስ ዝተፈጥረ ፀገም ብዝተተሓሓዘ ብዉሑዱ ሸሞንተ ሰባት ካምዝተቀትሉ ከምዘረጋገፀ ኣፍሊጡ’ሎ። ብመሰረት ምኽትል ዋና ኮሚሽነር’ቲ ኪሚሽን ራኬብ መሰለ እቲ ኮሚሽን ንኹሎም ዝምልከቶም ኣካላት ኣዘራሩቡ ነቲ ፀገም ማዕልቦ ንምርካብ ይፅዕር’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%A6%E1%88%AD%E1%89%B6%E1%8B%B6%E1%8A%AD%E1%88%B5-%E1%89%B0%E1%8B%8B%E1%88%85%E1%8B%B6-%E1%89%A4%E1%89%B0%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/6957794.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ፤ ንመስደዲ መልእኽቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ትዓጹ","content":"ኣብ መንጎ ኦሮቶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያ ብዝተፈጥረ ዘይምርርዳእን ንዕኡ ስዒቡ ዝመጸ ምትፍናን ብዝፈጠሮ ስግኣት፡ መስደዲ መልእኽቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፈይቡክ፡ ቲክቶክን ቴለግራም ከም ዝተዓጽወ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ። ንምዕጻው ኢንተርነት ዝከታተል “ኔትብሎክስ” (NETBLOCKS) ዝተባህለ ትካል ከም ዘመልከቶ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመስደዲ መልእኽታት እዞም ዝተጠቕሱ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝዓጸዎ፡ ነቲ ንሰንበት ተመዲቡ ዘሎ ሰፋሕቲ ሰለማዊ ስልፍታት ንምትዕንቕፋ’ዩ። ወሃብ-ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ለገሰ ቱሉ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ብኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዝቐርበሉ ሕቶ ምላሽ ኣይሃበን። ካብ ዝሓለፈ ቀዳም 4 ጥሪ 2023 ኣትሒዙ ብዝተፈጥረ ዕግርግር፡ ድሮ 30 ሰባት ሞይቶም ምህላዎም፡ ንምንጪታት ቤት ክህነት ኢትዮጵያ ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ'ሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ በበይኑ እዋናት፡ ዘይምርግጋእ ምስ ዝህልው፡ ኣገልግሎት ኢንተርነት ክዓጹ ምጽናሑ ይዝከር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%8B%B2-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%89%B2-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%8A%B8%E1%89%A2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8B%93%E1%8C%B9\/6957356.html"} {"headline":"ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ትካላት ንግዲ ክልል ትግራይ ትስፉዎ ምንቅስቓስ ይገብሩ","content":"ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ክልል ትግራይ ኣቋሪጹ ዝጸንሐ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክኽፈት ስለ ዝጀመረ፡ ሰብ-ዋኒን ትስፉዎ ምንቅስቓስ ንግዲ የርእዩ ከም ዘለዉ ንድምጺ ኣመሪካ ኣካፊሎም። እቶም ርእይቶ ዝሃቡ ነጋዶ፡ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ምኽፋት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ቀጻልነት ክህሉዎ’ውን ተተስፍዮም ኣለዉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%8B%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B5%E1%88%B5%E1%8D%89%E1%8B%8E-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%B5%E1%89%93%E1%88%B5-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A9\/6955812.html"} {"headline":"“ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንምትኣትታው ድሌት የብልናን፡” ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ","content":"ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሙ ዝብሃል “ግጉይን ሕልማዊን ሓበሬታ’ዩ፡” ክብል ገሊጹ። ኣብ ናይ ናይሮቢ ዑደቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተዛረበ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ሰራዊት ኤርትራ ሰብኣዊ ግህሰት ፈጺሙ ዝብል ክሲ፡ “ሕልሚ ናይቶም ንመስርሕ ሰላም ክዘርጉ ዝደልዩን፡ ኣብ ፋብሪካ ሓሶት ዝተሰርሐን`ዩ፡” ኢሉ። “ብዛዕባ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብዝን ኣብትን ጾታዊ ዓመጽ ዘረፋ እናበልኩም ግዜኹም ኢኹም ተጥፍኡ ዘለኹም፡ ኩሉ ግን ፋንታዝያ`ዩ፡” ክብል ድማ ገሊጹ። ንናጻ ሚድያ ሳሕቲ ዝዛረብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ “ኣብ መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያ ጣልቃ ዘእቱ ነገር የብልናን፡ናትና ኣጀንዳ`ውን ኣይኮነን” ኢሉ። ወሲኹ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ “ብዛዕባ ምስሓብን ዘይምስሓብን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ምዝራብ ትርጕም የብሉን፡” ድሕሪ ምባል፡ መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያ ብዘይ ዕንቅፋት ክቕጽል ዘለዎ ተስፋ ጠቒሱ። ንጋዜጠኛታት ብነድሪ ዝተዛረበ ወዲ-77 ዓመት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣስዒቡ፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ጸገማት ከም ተደጋጋሚ ምኽንያት ክንረአ ኣይንደልን፡” ኢሉ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኤርትራ ናብ ኣባላነት ውድብ ኢጋድ ክትምለስ ከም ዝወሰነት ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽቱ ኣስፊሩ። እዚ ዳግም ምጽንባር ናብቲ ውድብ ብምኽንያት ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ኬንያ’ዩ ዝኸውን ዘሎ። ኬንያ ኣብ ኤርትራ ኤምባሲ ክትከፍት ምውሳና’ውን ሚኒስተር የማነ ኣብ መልእኽቱ ትዊተሩ ጠቒሱ ኣሎ። ትማሊ ረቡዕ ብዕድመ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ናብ ኬንያ ዝተጓዕዘ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ካብ መንጎ’ቲ ክልተኣዊ ርክብ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ዝግበር ናይ ቪዛ መሕተት’ውን ክኣልዩዎ ወሲኖም ኣለዉ። ከም ሓበሬታ መልእኽቲ ትዊተር ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል እዚ ተግባር ሎሚ ናብ ግብሪ ክውዕል’ዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%89%B3%E1%8B%8D-%E1%8B%B5%E1%88%8C%E1%89%B5-%E1%8B%A8%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%8A%93%E1%8A%95-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AD%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%82\/6955431.html"} {"headline":"ጸብጻብ ህዩማን ራይትስ ዎች፤ “ንስድራቤት ዕስክርና ዝኣበዩ ዝቐጽዕ መስርሕ”","content":"ዓለምለኸ ተሓላቒ ትካል ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ሎሚ ሓሙስ 9 ለካታቲ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንስድራቤት ዕስክርና ሰራዊት ዝኣበዩ ዜጋታት ብዛዕባ ዝገብሮ ዘሎ ቀጻዒ ስጕምታት ዝድህስስ ጽሑፍ ዘርጊሑ። እቲ ተሓላቒ ትካል፡ ነቲ መጽናዕቲ ንምድላው፡ በቲ ፖሊሲ ዝተጸልዉ ኣባላት ስድራቤት፡ ካብ ኤርትራ ዝሃደሙን ጋዜጠኛታትን ኣዘራሪቡ ኣሎ። ከም መግለጺ ምኽትል ዳይረክተር ኣፍሪቃ ትካል ህዩማን ራይትስ ዎች ላቲሻ ባድር፡ ኤርትራ ክተት ዝጸውዐት ኣብ ክልል ትግራይ ድሕሪ ምእታዋ’ዩ። ባድር ከም እትሕብሮ ድማ፡ ናብቲ ናይ ክተት ጻውዒት ዘይተረኽቡ ዜጋታት፡ መንግስቲ ንስድራቤቶም ክኣስር፡ ገዛውቲ ክዕሽግ፡ ኣንስቲን ኣረጋውያንን ክኣስር ጀሚሩ። ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ጸብጻቡ፡ እዚ ሓድሽ ጻውዒት ክተት ኣብ ርእሲ’ቲ ዝጸንሐ ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብምዃኑ፡ ንዜጋታት ግዳይ ሓደገኛ ጕዕዞ ስግረ-ዶብን ተወሳኺ ሽግራትን ገይሩዎም ይብል። ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብቲ ዝነበረ ልሕሉሕ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት፡ እቲ ቀንዲ ኣሰካፊ ዝበሎ ኣብ መፋርቕ 2022 ዝጀመረ ጻውዒት ክተት’ዩ። ኣብቲ ካብ 50-60 ዝዕድመኦም ኣባላት ዕቝር ሰራዊት’ውን ንኽተት ዝጸውዓሉ ኣጋጣሚ፡ እቶም ኣቐዲሞም ብሕማምን ካልእ ምኽንያታትን ካብ ሰራዊት ተፋንዮም ዝጸንሑ’ውን ከይተረፉ ዳግም ንክኸትቱ ስለ ዝተሓተቱ፡ ንዝሰፍሐ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ማዕጾ ምኽፋቱ ይሕብር። ነዚ ጻውዒት ዘይመለሱ ኣባላት ስድራ ድማ ክእሰሩ፡ መቝነን ዝረኽቡሉ ኮፖን ክሕደጉ፡ ብመገዲ ናይ ከባቢ ምምሕዳራት ክህደኑ ምጅማሮም እቲ ጸብጻብ ይሕብር። ብሰንኪ’ዚ “ዓማሚን ኣሰካፊን” ኢሉ ህዩማን ራይትስ ዎች ዝጠቐሶ መምርሒ ድማ፡ ንኣረጋውያንን ትሕቲ ዕድመን ግዳይ ማእሰርቲን ምጕስቓልን ምግባሩ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ። ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብቲ ሎሚ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ናብ ዶባቶም ተጸጊዖም ምህላዎም’ውን ሓበሬታ ከም ዝበጽሖ ጠቒሱ ኣሎ። እንተዀነ ይብል እቲ መግለጺ፡ ድሕሪ ስምምዕ ሰላምን ምምላስ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ዶባት’ውን እቲ ዝካየድ ዝነበረ ቀጻሊ ወታሃደራዊ ግፋታትን መፈተሺ ንቝጣታትን ምቕጻሉ ካብቲ ኣሰካፊ ተርእዮ ምዃኑ ኣስፊሩ ኣሎ። እቲ ግፋን ማእሰርቲን ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ምቕጻሉ’ውን እቲ ጸብጻብ ይሕብር። በበይኖም ተሓለቕቲ ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪቃን፡ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝግበር ጥሕሰት ብምዅናን፡ ምትዕርራይ ክግበር ይጽውዑ። “ብመንግስቲ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ ተሰከምቲ ኰይኖም ዘለዉ ዜጋታት እታ ሃገር’ዮም፡” ዝበለት ምኽትል ዳይሬክተር ህዩማን ራይትስ ዎች ጨንፈር ኣፍሪቃ፡ ላቲሻ ባደር፡ “መሻርኽቲ ኣካላትን ካልኦት መንግስታትን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ጸቕጢ ክገብሩ” ጸዊዓ። ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ጸብጻቡ ግብረ-መልሲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ጉዳይ ኣየካተተን። ድምጺ ኣመሪካ’ውን ብዛዕባ’ዚ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ተወሳኺ ምላሽ ኣይረኸበን፣ ምስ ዝህሉ ኣብ ቀጻሊ ከነቕርብ ኢና። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%B8%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%A9%E1%88%9B%E1%8A%95-%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%89%B5%E1%88%B5-%E1%8B%8E%E1%89%BD-%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%8B%B5%E1%88%AB%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8B%95%E1%88%B5%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%8B%A9-%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%8C%BD%E1%8B%95-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%95-\/6955398.html"} {"headline":"ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ምስ ክልል ትግራይ ተቋሪፁ ዝፀንሐ ርክብ ንክቕፅል ፃውዒት ኣቕሪቡ","content":"ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ሊቃነ ጳጳሳት ተቋሪፁ ዝፀንሐ ርክብ ንክቕፅል ፃውዒት ኣቕሪቡ። ብብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ዝተፈረመ እዚ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ቅዱስ ሲኖደስ ዝወፀ ደብዳበ ናብ ሃገረ-ስብከታት ሽረ እንዳስላሴ፡ ንኣክሱም፡ ንዓዲግራት፤ ንመቐለን ንላዕለዋይ ሓላዊ መንፈሳዊ ኮሌጅ ፍራሚናጦስ ኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ብፁእ ኣቡነ ዮሃንስ ከምዝኾነ ካብ ኣመራርሓ እታ ቤተክርስቲያን ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልኽት። እቲ ደብዳበ በቲ ዝተፈጠረ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረት ጉድኣት በፂሑ ምብጽሑን እታ ቤተክርስቲያን ድማ በዚ ሓዘን ከምዝስመዓ ገሊፁ። ቐፂሉ እቲ ደብዳበ \"ብፖለቲካዊ ውዲት\" ኢሉ ዝገለፆ ታቤተክርስትያን ኣብ ግዚኡ \"ሓዘና ብዘይምግላፃን እቲ ፍፃመ ብዘይምኹናናን ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ናይታ ቤተክርስቲያን መራሕቲ ዝፈጠርሎም ቅርታ ግቡእ እዩ\" ኢሉ። ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝተፈጠረ ስምምዕነት ሰላም ከምዘሕጎሶ ዝገለፀ ቅዱስ ሲኖዶስ ብኽንያት ኩናት ተቋሪፁ ዝነበረ ርክብ ክቕፅል ፀዊዑ። ነቲ ፃውዒት ካብቶም ሊቃነ ጳጳሳት ብዕሊ ዝተውሃበ መልሲ ምህላዊ ዛጊድ ኣይተፈለጠን:: ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከቡ ሊቃነ ጳጳሳት ምላሽ ንምርካብ ብስልክን ብኣካልን ዝገበሮ ፃዕሪ ኣይሰመረን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%85%E1%8B%B1%E1%88%B5-%E1%88%B2%E1%8A%96%E1%8B%B6%E1%88%B5-%E1%8A%A6%E1%88%AD%E1%89%B6%E1%8B%B6%E1%8A%AD%E1%88%B3%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8B%8B%E1%88%85%E1%8B%B6-%E1%89%A4%E1%89%B0%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B2%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%89%8B%E1%88%AA%E1%8D%81-%E1%8B%9D%E1%8D%80%E1%8A%95%E1%88%90-%E1%88%AD%E1%8A%AD%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%89%95%E1%8D%85%E1%88%8D-%E1%8D%83%E1%8B%8D%E1%8B%92%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%95%E1%88%AA%E1%89%A1\/6955759.html"} {"headline":"ግብረ ሓይሊ ስለያን ጸጥታን ኢትዮጵያ፡ ዘይሕጋዊ ሰልፍታት ኣብ ልዕሊ ዝውድቡ ኣካላት ስጉምቲ ከም ዝወስድ ኣጠንቂቑ","content":"ግብረ ሓይሊ ስለያን ጸጥታን ኢትዮጵያ፡ ዘይሕጋዊ ሰልፍታት ኣብ ልዕሊ ዝውድቡ ኣካላት ሕጋዊ ስጉምቲ ከም ዝወስድ ኣጠንቂቑ። እቲ ግብሪ-ሓይሊ ኣብቲ መግለጺኡ፡ ኣብ ደገ ዘለዉ ሓይልታት ምስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ኣሸበርትን ብሽም ተሓለቕቲ ማሕበራዊ መሓውራት ዜና ዝሽቅጡን ብምትሕብባር ነዛ ሃገር ናብ ዘየባሪ ጎንጺ ከእትውዋ ይሰርሑ ከምዘለዉ ህዝቢ ክርዳእ ኣለዎ ይብል። እዚ መጠንቀቕታ ዝስማዕ ዘሎ ኣብ ብዙሕ ከባብታት ኢትዮጵያ ኣንጻር`ቶም ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተፈንጨሉ ኣቡናትን መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት ኢድ ኣእትዩ ዝብል ንምቅዋምን ሰልፍታት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን`ዩ። እቲ መግለጺ ግብሪ ሓይሊ ስለያን ጸጥታን ኢትዮጵያ ዝስማዕ ዘሎ፡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ድሕሪ ምርኻቡ ኮይኑ ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣብ ኤውሮጳ ዑደት ክገብር ድሕሪ ምቕናይ ትማሊ ረቡዕ ተመሊሱ'ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%88%B5%E1%88%88%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%95%E1%8C%8B%E1%8B%8A-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8B%9D%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A1-%E1%8A%A3%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%B5%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%88%B5%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%8C%A0%E1%8A%95%E1%89%82%E1%89%91\/6955589.html"} {"headline":"ትንታነ፥ ኣብ ሃገራዊ መደረ ፕረዚደንት ኣመሪካ 2023","content":"ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ትማሊ ምሸት ንክልቲኡ ባይቶታት ብሓባርን ንህዝቢ ኣመሪካን ብቐጥታ ኣብ ኩነተ ሃገሮም State of the Union ዘስምዕዎ መደረን ንሪፓብሊካን ፓርቲ ወኪለን መልሲ ዝሃባ ኣማሓዳሪት ኣርካንሳ ሳራ ሳንደርስን ብዝምልከት ትንታነ ክህበና ንዶክተር በርሀ ሃብተጊዮርጊስ ካብ ኣትላንታ ጆርጂያ ኣዘራሪብናዮ ኣለና። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B5%E1%8A%95%E1%89%B3%E1%8A%90-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8B%B0%E1%88%A8-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-2023\/6954204.html"} {"headline":"ፍሊፖ ግራንዲ፡ ኤርትራውያን ኣብ ዝርከቡሉ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ በጺሑ፣ ዝያዳ ሓገዝ ሓቲቱ","content":"ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዲ፡ ኤርትራውያን ኣብ ዝርከቡሉ መዓስከር ስደተኛታት ኣለም ዋጭ በጺሑ ምስቶም ስደተኛታት ወከልቶምን ምዝርራቡ ወኪልና ካብቲ ቦታ ጸብጺባ። ፍሊፖ ግራንዲ፡ ኣብቲ ናይ ዳባት ዑደቱ፡ ብዳይረክተር ጉዳያት ተመለስቲ ስደተኛታት ኢትዮጵያ ኣቶ ተስፋሁን ጎበዛይ’ውን ተሰንዩ ነይሩ። ንኹነታትን መነባብሮን እቶም ስደተኛታት ድሕሪ ምዕዛብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኢትዮጵያ ፍርቂ ናይቲ ንስደተኛታት ክትረኽቦ ዝተለመት መጠን ሓገዝ ጥራይ ምርካባ ዓቢ ክፍተት ፈጢሩ ነይሩ፡” ኢሉ። ንሱ ወሲኹ ምስ ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያን ተዛማዲ ሓገዛት ናይ ምብጻሕ ተኽእሎታትን ለገስቲ ኣካላት ኣበርክቶኦም ከሐይሉ ጸዊዑ። ፍሊፖ ግራንዲ ብምቕጻል፡ ብሕልፊ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወርዶም ተደጋጋሚ ምጕስቓል ብምምልካት፡ ኵላቶም መሻርኽቲ ኣካላት ሓገዝ ኣበርኪቶም ነቲ ዘሎ ጸገም ኣብ ምፍታሕ ክሰርሑ ጸዊዑ። ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለም ዋጭ ኣስታት 22-ሽሕ ዝበጽሑ ስደተኛታት ተዓቚቦም ምህልዎም ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የምልክቱ። እቶም ኮሚሽን ድሕሪ ዑደት ግራንዲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ቦታ ብዅልትናኡ ንስደተኛታት ንምዕቋብ ብዛዕባ ዘለዎ ተኽእሎ ዝያዳ መጽናዕቲ ከም ዝሓትት ጠቒሱ ኣሎ። ኣብ ጎንደር ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብቲ ከባቢ ብዘሎ ስእነት ጸጥታ፡ ዋሕዲ መሰረታዊ ቀረባትን ብኵራት ሓላፍነት ዝምልከቶም ኣካላትን ደጋጊሞም ክጠርዑ ከም ዝጸንሑ ይዝከር። እቶም ስደተኛታት “ምምሕያሽ እንተ ዘየለ ንዓዲና ክንምለስ” ኢሎም’ውን ሓቲቶም ነይሮም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%90%E1%88%AD-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8B%AB%E1%8B%B3-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8B%AD%E1%88%93%E1%89%B5%E1%89%B5\/6953725.html"} {"headline":"ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ጀሚሩ","content":"ንዓመትን ሸሞንተ ኣዋርሕን ኣብ ክልል ትግራይ ኣቋሪጹ ዝነበረ ኣገልግሎት ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ሎሚ ሰሉስ 7 የካቲት 2023 ጀሚሩ። እዚ ኣብ መቐለን ካልኦት 31 ጨናፍራትን እቲ ክልል ጀሚሩ ዘሎ ስራሕ፡ ነቲ ኣብቲ ክልል ኣጓኒፉ ዝጸንሐ ከቢድ ሕጽረት ገንዘብ ኣብ ምቅላል ዓቢ ተራ ከም ዘለዎ ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ መቐለ ሓቢሮም። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መቐለ ስራሕ ጀሚረን ብምኽንያት ሕጽረት ገንዘብ ስራሓተን ኣቋሪጸን ዝነበራ ናይ ውልቂ ባንክታት’ውን ዳግም ምኽፋተን'ውን ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብቲ ቦታ ጸብጺቡ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%8B%B3%E1%8B%8A-%E1%89%A3%E1%8A%95%E1%8A%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9\/6951623.html"} {"headline":"ዝተፈላለዩ ኣካላት ንጉዳይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ዝምልከት መግለጺ ኣውጺኦም","content":"ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ `ቲ ኣብ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ምንዋጽ፡ መንግስቲ ንድሕነት ሰለማውያን ሰባትን ትካላትን ኣብ ምሕላው ግቡኡ ክፍጽም ዝጽውዕ መግለጺ ኣውጺኡ። ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን ብወገኑ ኣብ ደቡብ ወሎ ወረዳ መቕደላ ኮይኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ጉዳይ ብእምነት ሃይማኖትን ልቦና ሃይማኖታዊ ኣቦታትን ክፍታሕ ኣገዳሲ`ዩ ኢሉ። ኣስዒቡ፡ ስሚዒታት ክውገድን፡ ደረቕ ኣተሓሳስባ ክቕየረን ይግባእ ኢሉ። ብኻልእ ወገን፡ ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ሺመልስ ኣብዲሳ፡ ነቲ \"ብሽም ሃይማኖት ዝግበር ጸወታ\" ዝበሎ ነገር ኮኒኑ`ሎ። ንሱ ምስ OBN ማለት ኦሮሞ ብሮድካስቲን ኔትዎርክ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ ንድልየት ህዝቢ ንምዕፋን ዝዓለመ ጸወታ ዕንወት`ዩ ሳዕቤኑ ክብል ኣጠንቂቑ`ሎ። ኣቶ ሺመልስ ብዛዕባ`ቲ ኣብ እምነት ኦርቶዶክስ ተፈጢሩ ዘሎ ነውጺ ብቐጥታ ኣይጠቐሰን። ጉባኤ ትካላት ሃይማኖታት ኢትዮጵያ ብወገኖም ትማሊ ኣብ ዝውጽኦ መግለጺ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ፀገም ስፍሓቱን ዕምቆቱን ተረዲኦም ፡ ልዝብ፣ ይቕሬታን ምእራምን ከቐድሙ ኣለዎም ዝብል ምሕጽንታ ኣውጺኦም`ዮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%8A%A3%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A6%E1%88%AD%E1%89%B6%E1%8B%B6%E1%8A%AD%E1%88%B5-%E1%89%B0%E1%8B%8B%E1%88%85%E1%8B%B6-%E1%89%A4%E1%89%B0%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%8C%BA%E1%8A%A6%E1%88%9D\/6951706.html"} {"headline":"\"ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ቀረባ እዋን ግዝያዊ መንግስቲ ክጣየሽ እዩ\" ኣይተ ጌታቸው ረዳ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ቀረባ እዋን ግዝያዊ መንግስቲ ክጣየሽ እዩ ኢሎም መራሒ ኮሚቴ ሰላም ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ። ብመሰረት ሓበሬታ ቢሮ ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ናብ ዝቆፃፀርዎ ዞባታት ማእኸልን ሰሜን ምዕራብን ምምሕዳር እተን ዞባታት ንኸማሓድሩ ካብ ትማሊ ጀምሮም ይምለሱ ኣለዉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%80%E1%88%A8%E1%89%A3-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%8C%8D%E1%8B%9D%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%8C%A3%E1%8B%A8%E1%88%BD-%E1%8A%A5%E1%8B%A9-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%89%B0-%E1%8C%8C%E1%89%B3%E1%89%B8%E1%8B%8D-%E1%88%A8%E1%8B%B3-\/6949996.html"} {"headline":"ሚ\/ሕርሻ ኤርትራ ህሉዊ ዝርጋሐ ዋጋታትን ቀረብን ብምጽናዕ ክዝርግሕ ጀሚሩ","content":"ሚንስትሪ ሕርሻ ኤርትራ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኤርትራ ሰሙናዊ ዋጋታት ብምእካብ፡ ህልዉ ዝርግሐ ዋጋታትን ቀረብን ምጽናዕ፡ ምዝርጋሕን ከም ዝጀመረ ኣፍሊጡ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A-%E1%88%95%E1%88%AD%E1%88%BB-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%85%E1%88%8D%E1%8B%89-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%88%90-%E1%8B%8B%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%89%80%E1%88%A8%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8C%BD%E1%8A%93%E1%8B%95-%E1%8A%AD%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%88%95-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9\/6950130.html"} {"headline":"ጉባኤ ሃይማኖታዊ ተቋማት ኢትዮጵያ ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ዝተፈጥረ ኩነታት ከምዘተሓሳሰቦም ገሊጾም","content":"መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ \"ዝተፈጠረ ፀገም ስፍሓትን ዕምቆትን ተረዲኦም ልዝብ፣ ይቕሬታን ምእራምን ከቐድሙ ኣለዎም’’ክብል ጉባኤ ሃይማኖታዊ ተቋማት ኢትዮጵያ ሓቲቱ። ናይቲ ፀገም ምጉህሃር ከምዘተሓሳሰቦ ዝገለፀ እቲ ጉባኤ መንግስታት ፌደራልን ክልላትን ኣብ ውሽጢ እታ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጥረ ሽግር ብናይታ ቤተክርስቲያን ሕጊ፣ ቀኖናን ስርዓት ጥራሕ ክፍታሕ ሓላፍነቶም ብዓንቀፃት 11ን 27ን ሕገ መንግስቲ ክምእዘዙን ኣተሓሳሲቡ ኣሎ። ምስዚ ዝተኣሳሰረ ዜና ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ብዛዕባ እዋናዊ ጉዳይ እታ ቤተ ክርስቲያን ብዝምልከት ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ እታ ቤተ ክርስቲያን ከምዘይትቐበሎ ኣብ ዘውፅእቶ ምላሽ ኣፍሊጣ። እታ ቤተ ክርስቲያን ዘቕረበቶ ፃውዒት ስዒቡ ሎሚ ብርክት ዝበሉ ምእመናን ፀሊም ኣልባሳት ተኸዲኖም ተራእዮም ኣለው።እታ ቤተ ክርስቲያን ዘቕረበቶ ሕቶ ምላሽ ዘይረክብ እንተኾይኑ 5 ለካቲት 2015 ሰላማዊ ሰልፊ ዝፀውዐት ክትኸውን ከላ ‘’ናይ ኦሮሚያን ብሄርን ብሄረሰባትን ሲኖዶስ’’ ብዝብል ብዝተነፀሉ ጉጅለታት ምጥያሱ ዝተገለፀ ኣካል ብተመሳሳሊ ዕለት ሰላማዊ ሰልፊ ምፅውዑ ንናይ ውሽጢ ሃገር መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ኣፍሊጡ። ብዛዕባ ኽልቲኦም ወገናት ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ዝፀውዕዎ ሰላማዊ ሰልፊ ብዝምልከት ካብ መንግስቲ ዝተዋህበ ርእይቶ የለን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%89%E1%89%A3%E1%8A%A4-%E1%88%83%E1%8B%AD%E1%88%9B%E1%8A%96%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%89%B0%E1%89%8B%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-\/6950162.html"} {"headline":"ድምጻዊት ሻም ጌሹ ዓሪፋ","content":"ሓንቲ ካብተን ዳሕረዎት ወለዶ ብልጽቲ ድምጻዊት ቋንቋ ትግረ ምዃና ብዙሕ ዝዝርበላ ሻም ጌሹ ኣብ ኤርትራ፡ ብሓደጋ መኪና ኣብ መገዲ ምጽዋዕ-ኣስመራ ዓሪፋ። ስነ-ስርዓት ቀብራ ድማ ሎሚ 6 የካቲት 2023 ኣብ ኣስመራ ምፍጻሙ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ። ካብ ክልተ ስነ-ጥበበኛታት ተጋደልቲ ስድራ፡ ኣብ ሜዳ፡ ኣብ ወርሓት ናጽነት ኤርትራ፡ ማለት ግንቦት 1991 ዝተወልደት ሻም፡ ካብ ብንእሽቶኣ ኣብ ስነ-ጥበብ፡ ብቐንዱ ድማ ምውሳእን ምድራፍን ከም ዝጀመረት ታሪኽ ህይወታ የመልክት። ኣብ በበይኑ ተኸታታሊ ፊልምታት፡ ሃገራዊ በዓላትን ካልእ ኣጋጣሚታትን እትደርፍ ዝነበረት ሻም ጌሹ፡ ብቛንቋታት ትግረ፡ ትግርኛን ዓረብን ትደርፍ ነይራ። ድምጻዊት ሻም፡ ሰለስቲኡ ቋንቋታት’ውን ትመልኽ ምንባራ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መጥየቕ ጠቒሳ ነይራ። ምስ ድራማታትን ንጽል ደርፍታትን ብድምሩ ኣስታት 25 ደርፍታት ከም ዝሰርሐት ሻም ቅድሚ ሕጂ ገሊጻ ነይራ። ኣደ ክልተ ቆልዑ ሻም፡ ኣብዚ ዘጋጠማ ሓደጋ፡ ሓደ ካብቶም ደቃ ምማቱ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%BB%E1%88%9D-%E1%8C%8C%E1%88%B9-%E1%8B%93%E1%88%AA%E1%8D%8B\/6949855.html"} {"headline":"ቂሐ ፅልሚ\n-ማህሌተ ጉማየ","content":"ማህሌተ ጉማየ ብዝብል መፀውዒ ዝፍለጥ ኣብ ምምርማር፣ ምዕቃብን ምልላይን ባህሊን ታሪኽን ትግራይ ኣድሂቡ ዝሰርሕ ብዓርሰ ተበግሶ ውልቀሰባት ዝተጣየሰ ምልዕዓል እዩ: ንመስራቲ ማህሌተ ጉማየ ዶ\/ር ሓጎስ ኣብርሃ ኣባይ ካብ ጀርመን ንሓፈሻዊ ስርሓት እቲ ተበግሶን ሸትኡን ኣመልኪቱ ኣዘራሪብናዮ ኣለና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%82%E1%88%90-%E1%8D%85%E1%88%8D%E1%88%9A--%E1%88%9B%E1%88%85%E1%88%8C%E1%89%B0-%E1%8C%89%E1%88%9B%E1%8B%A8\/6947079.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣቢይ ምስ መራሕቲ ልዝብ ትግራይ ተራኺቦም፣ ተዘራሪቦም","content":"ብመሰረት መንግስታዊ ምንጪን ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳን፡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ሎሚ ምስ ንክልል ትግራይ ወኪሎም ኣብ ዘተ-ሰላም ዝተሳተፉ መራሕቲ'ቲ ክልል ተራኺቦም ኣለዉ። እዚ ከም መቐጸልታ ናይቲ ስምምዕ ሰላም ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ዜና፡ እቶም ቀዳማይ ሚንስተር ንፈለማ እዋኖም ምስ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደን ዝሓቘፈ ጕጅለ ንፈለማ እዋኖም’ዮም ዝራኸቡ ዘለዉ: ንፈደራላዊ መንግስቲ ወኪሎም ኣብ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝተሳተፉ ወገናት’ውን ኣብቲ ርክብ ተረኺቦም ነይሮም። ኣማኻሪ ጸጥታ ቀዳማይ ሚንስተር ዝዀኑ ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን ኣብ ናይ ትዊተር ገጾም ኣብ ዝጸሓፉዎ’ውን እቶም ቀዳማይ ሚንስተር ካብን ናብን ክልል ትግራይ ዘሎ ናይ ኣየር በረራታት ክውስኽ፡ ኣገልግሎት ባንክን ካልእ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ክጅምር መምርሒ ምሃቦም ኣስፊሮም ኣለው። እቲ ርክብ ኣብ ሓላላ ኬላ ኣብ ዝተባህለ ክልል ደቡብ’ዩ ተኻዪዱ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A2%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%88%8D%E1%8B%9D%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/6946843.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝህቦ ኣቕርቦት ሰብኣዊ ሓገዝ ምምሕያሹን ምቕጻሉን ገሊጹ","content":"ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣቕርቦት ሰብኣዊ ሓገዝ ምምሕያሹን ይቕጽል ምህላውን ተሓባባሪት ወሃቢ ቃል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ፍሎረንሲያ ሶቶ ኒኞ ገሊፃ። ንሳ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ ኣብ ክልላት ዓፋር:ኣምሓራን ትግራይን ስርሓቶም ኣስፍሖም ምህላውን ኣብ ገለ ከባቢታት ግን ሕጂ'ውን ንምብፃሕ ኣፀጋሚ እዩ ኢላ። ብኻልእ ወገን ኣብ ደቡባዊ ክልል ኣምሓራን ኣዋሰንቲ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያን ብዝተኻየደ ውግእ ካብ ክልል ኣምሓራ ዞባታት ሰሜን ሸዋ ፣ ደቡብ ወሎን ምዕራብ ጎጃምን ብዙሕ ህዝቢ ተመዛቢሎም ኣለው ኢላ። መሻርኽትና ሰብኣዊ ትካላት ድማ መግቢ: መዕቖቢን ካልእ ረድኤትን ንህዝቢ የቕርቡ ኣለው ኢላ። ንሳ ብተወሳኺ ኣብ ደቡባዊን ምብራቕን ክፋላት ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዘጋጠመ ከቢድ ደርቂ ተጎዲኦም ኣለው: ንሕናን መሻርኽትናን ን17 ሚሊዮን ሰባት መግቢ: ማይ: ኣገልግሎት ጥዕናን ሕርሻን ንምብፃሕ ዓሊምና ኣለና ኢላ። ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ሶማልን ብዝተላዕለ ለበዳ ሕማም ኮሌራ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ምሕማሞም እውን እታ ወሃቢት ቃል ሓቢራ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%85%E1%89%A6-%E1%8A%A3%E1%89%95%E1%88%AD%E1%89%A6%E1%89%B5-\/6946626.html"} {"headline":"ሆስፒታላትን ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጽገማ ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ይገልጽ","content":"ድሕሪ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያ ገለ ቅድሚ ሎሚ ክብጽሑ ዘይክኣሉ ከባብታት ክልል ትግራይ፡ ረድኤት ክበጽሖም እንተኸኣለ`ኳ፡ ሕጂ`ውን ሰብኣዊ ረድኤት ብህጹጽ ከምዘድሊ ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ። ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስትን ህወሓትን ዝተወልዐን ንክልተ ዓመት ዝቐጸለን ኩናት ብዓሰርተታት`ታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ቀቲሉ ንኣማኢት ኣሸሓት ንጥምየት ኣቃሊዑን ሚልዮናት ኣፈናቒሉን`ዩ። ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ክልቲኦም ወገናት ተጻብኦታት ክብቅዕ ድሕሪ ምስምምዖም ግን፡ ተወሳኺ ረድኤት ንክልል ትግራይ ክኣቱን ገለ ኣገልግሎታት ዳግም ክጅምርን ኣኽኢሉ። ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ብቪድዮ ኣደጊፉ ኣብ ዝዘርግሖ ሓዲሽ ሓበረታ እንተኾነ ብሰንኪ`ቲ ኲናት ሆስፒታላት ብምዕናዎምን ኣምቡላንሳት ምዝራፈንን ኣገልግሎት ሕክምና ገና ምስ ጎደለ`ዩ ዘሎ ይብል ። ከቢድ ኲናት ዝተካየደሉ ኣብ ማእከላይ ትግራይ ኣብ የጭላ ዝርከብ መባእታዊ ሕክምና መናድቑ ብጠያይቲ ተበሲዑ ይርኣይ፡ቀረባት ሕክምና`ውን የብሉን። ዶ\/ር ዕርደይ ኣሰፋ ሓላፊ`ቲ ሆስፒታል\"ኣብ ኢድና ብዘሎ ጥራሕ ኢና ንጥቀም ዘለና፡ ግን እኹል ኣይኮነን። ንሕክምና ናባና መጺኦም ኣብ ኢድና ክሞቱና ከለዉ ኣዝዩ ዘሕዝን`ዩ” ይብል። ኣብ ኢትዮጵያ ወሃቢት ቃል ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ጁዲ ፉህንዊ ክትገልጽ ከላ፡ ኣብ ካልኦት ከባብታት ክልል ትግራይ`ውን ጉድለት ሕክምና ልዑል ምዃኑን፡ ሰራሕተኛታት ጥዕና ቀረባት ከምዘይብሎምን ትገልጽ። ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዝነበርኦ 250 ኣምቡላንሳት ድሕሪ`ቲ ግጭት 82 ጥራሕ ከምዝተረፍኦ፡ ብዙሓት ካብኣተን ድማ ከምዘይሰርሓ ገሊጹ`ሎ። ሚንስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ሊያ ታደሰ፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ረድዋን ሑሴን ከምኡ`ውን ወሃቢ ቓል ሓይልታት ትግራይ ጌታቸው ረዳ ብዛዕባ`ቲ ሰብኣዊ ኩነታት ርእይትኦም ክህቡ ብሮይተርስ ተሓቲቶም ምላሽ ኣይሃቡን። ኣብ ክልል ትግራይ ሓላፊ ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ብርሃኑ መኮነን ብዛዕባ`ቲ ኩነታት ክገልጽ ከሎ፡ ብዙሕ ፈተናታት`ዩ ኣጋጢሙና፡ ሓደ ካብኡ ዘዋሪ መኪናና ንሓንቲ ነብሰ-ጾር እናገዓዓዘ ከሎ ብጥይት ዝተሃርመሉ ኩነታት`ዩ ይብል። ተኳሲ መን ምዃኑ ግን ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ኣይገለጸን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%86%E1%88%B5%E1%8D%92%E1%89%B3%E1%88%8B%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-\/6945243.html"} {"headline":"ሚ\/ትምህርቲ ኢትዮጵያ ህንፀት 71 ኣ\/ትምህርቲ ምጅማሩ ኣፍሊጡ","content":"ሚንስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ብዂናትን ጎንፅን ጉድኣት ኣብ ዝበፅሐንን ከባቢታት እታ ሃገር ህንፀት 71 ኣብያተ ትምህርቲ ከም ዝጀመረ ሎሚ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣፍሊጡ።ብመሰረት ሓበሬታ ሚኒስተር ትምህርቲ ፕሮፈርሰር ብርሃኑ ነጋ እዚ ተጀሚሩ ዝተባህለ መደብ ህንፀት ኣብያተ ትምህርቲ ንክልል ትግራይ ኣይሓውስን። እቶም ሚኒስተር ኣብ መግለጺኦም ኣብ ክልል ትግራይ፡ ዳህሳስ ዕንወት ኣብያተ ትምህርቲ ምስተገብረ ናይቲ ክልል ዳግመ ህንፀት ኣብ ቀፃሊ ትልሚ ከም ከምዝካየድ ወሲኾም ገሊጾም። ህንፀት እተን ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ክዛዘም’ሞ ኣብ ዝቕጽል ዓመተ-ትምህርቲ ኣብ ስራሕ ክውዕል ትፅቢት ከም ዘሎ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተሓቢሩ። በቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ ኲናት ንክልል ትግራይ ከይሓወሰ 3,300 ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝፈረሳ ዝገለፁ ሚኒስትር ብርሃኑ ነጋ፡ ነተን ዝፈረሳ ኣብያተ ትምህርቲ ኣመሓይሽካ ምህናፅ፣ ኣካል መደብ ምምሕያሽ ጽፈት ትምህርቲ ከምዝኾነ ድማ ተዛሪቦም። ብዘይካ'ዚ፣ ጽፈት ትምህርቲ ንምምሕያሽ ኣብ ኩለን ክልላት መርኣያ ዝኾና ፍሉያት ኣብያተ ትምህርቲ ንምህናፅ እቲ ሚኒስትሪ ትልሚ ከምዝሓዘ ኣመልኪቱ ኣሎ። ነዚ መደብ ንምትግባር ድማ 2.8 ቢልዮን ብር ተዋህሊሉ ኣሎ። ኣብ ክልል ትግራይ ንዘጋጠመ ዕንወት ንምፅናዕን ሓፈሻዊ ትምህርቲ ዝጅመረሉ ኩነታት ንምርኣይን ሚኒስተር ትምህርቲ ሓደ ጉጅለ ሰብ ሞያ ናብቲ ክልል ከም ዝለኣኸ እውን ፕሮፌሰር ብርሃኑ ተዛሪቦም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%85%E1%8A%95%E1%8D%80%E1%89%B5-71-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AB%E1%89%B0-%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%8C%85%E1%88%9B%E1%88%A9-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6944938.html"} {"headline":"ቢንያም ግርማይ ንቀዳማይ መድረኽ ዙር ቮላታ ቫልንሺያና ተዓዊትሉ","content":"ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ መድረኽ ዙር ቮላታ ኣ ላ ኮሚንታት ቫለንሺያና (Volta a la Comunitat Valenciana) ኣባል ጋንታ ኢንተርማሸ ዝዀነ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ቀዳማይ ኰይኑ ውድድሩ ዛዚሙ ኣሎ። እዚ ኣብ ከተማ ኣልተ ዝተኻየደ ቀዳማይ ዙር፡ ሆለንዳዊ ኦልቫ ኩጅ ካልኣይ ክኸውን እንከሎ፡ ስጳኛዊ ኢቫን ጋርሺያ ኮርቲና ሳልሳይ ወጺኡ ኣሎ። እዚ ናይ ሎሚ ውድድር 189 ኪሎ ሜተር ዝሽፍን’ዩ ነይሩ። ቢንያም መወዳእታ ሕንጻጽ ንምርኣይ ተጸጊሙ ምንባሩ ይርአ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ግን በቲ መለልዪኡ ዝዀነ ቅጽበታዊ ቅድድም መስመር ዓወት ረጊጹ። ንቕጽበታዊ ውድድር ብቐጥታ ዝከታተል ዝነበረ ጋዜጠኛ፡ ኣብ እዋን መዛዘሚ ሕንጻጽ ቢንያ መጥቃዕቲ ምስ ፈነወ፡ “ቢንያም ኣብ ዘለወሉ ካልእ ክዕወት ዘይሕሰብ’ዩ፡” ክብል ንዓወት ቢንያም ዘለዎ ኣድናቖት ገሊጹ። “ኣብ ካልእ ፕላኔት’ዩ ዘሎ፡” ወሲኹ እቲ ጋዜጠኛ ስፖርት ንቢንያም። ቢንያም ድሕሪ ዓወቱ “ነዚ ውድድርን ዓወት’ዚን ንወርሒ’የ ተጸብየዮም፡ በዚ ዘመዝገብኩዎ ውጽኢት ድማ ኣዝየ ዕጉብ’የ” ኢሉ። ነቶም ኣብዚ ዓወት ወሳኒ ተራ ዝተጻወቱ ደቂ ጋንታኡ ድማ ኣመስጊኑ። ቢንያምን ጋንታኡን ነዚ ሎሚ ዝፈለመ ውድድር ይመርሑ ኣለዉ። ጽባሕ ሓሙስ 178 ኪሎ ሜተር ዝሽፍን ውድድር ክህሉ’ዩ። እዚ ውድድር ሓሙሽተ መድረኻት ክህሉዎ'ዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A2%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%88%9D-%E1%8C%8D%E1%88%AD%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%89%80%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%8A%BD-%E1%8B%99%E1%88%AD-%E1%89%AE%E1%88%8B%E1%89%B3-%E1%89%AB%E1%88%8D%E1%8A%95%E1%88%BA%E1%8B%AB%E1%8A%93-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%8A%E1%89%B5%E1%88%89\/6943470.html"} {"headline":"መራሕቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ንድንፋዐ ምክልኻል ሓይሊ ሶማል ይሰምማዑ","content":"ብዕድመ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ኣብ ሞቓዲሾ ዝተጋብኡ መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ጂቡቲን ኬንያን ድሕሪ ርክቦም ሎሚ ኣብ ዝዘርግሑዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንዞባዊን ሃገራዊን ጸጥታ ሶማል ተሓባቢሮም ክሰርሑ ኣብ ስምምዕ በጺሖም። እቲ ንርክብ ንሶማል ዘዳዉባ ሃገራት፡ ብቐንዱ ነቲ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ዝፍጽም ዘሎ ጕጅለ ኣል-ሸባብ ንምምካት ኢዩ። ምስ ዕድመ ምብቃዕ ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብታ ሃገር፡ ሶማል ሓይሊ ሰራዊታ ንምድልዳል ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ተዓለምቲ ክትልእኽ ኣብ ምድላው ከም ዘላ ኣብዚ ሰሙን ወግዓዊ ገይራ ኣላ። ሶማል፡ ኣቐዲማ ኣብ ኤርትራ ተዓሊሞም ዝተመልሱ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰራዊት ምስዳዳ ዝዝከር ኰይኑ፡ ብተመሳሳሊ መደብ ድማ ናብተን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ተዓሊም ዝቐስሙ ተወሰኽቲ ኣባልት ንምስዳድ ኣብ ምድላው’ያ ዘላ: መራሕቲ ሃገራት ጎረባብቲ ሶማል፡ ሓቢረን ዶባተን ዘውሕሳሉን ንስግረ-ዶባዊ መጥቃዕታት ግብረ-ሽበራ ዝከላኸላሉን መገዲ ኣብ ምፍጣር ክሰርሓ ተሰማሚዐን ኣለዋ። ብተወሳኺ፡ መራሕቲ እተን ሰለስተ መዳውብቲ ሃገራት፡ እቲ ልዕሊ ሶማል ተነቢሩ ዘሎ ናይ ኣጽዋር እገዳ ክለዓል እጃሞም ክግብሩ ምዃኖም ኣብቲ ዘውጽኡዎ መግለጺ ጠቒሶም ኣለዉ። ኣብ ሶማል እስላማዊ ስርዓት ንምትካል ዝዕልም ጕጅለ ኣልሸባብ፡ ንርክብ እቶም መራሕቲ ንምትእጕጓል ክንቀሳቐስ ምጅማሩ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብቲ ርክብ ዝካየደሉ ዝነበረ ኣከባቢ ግን ሞርታር ቦምባ ምድርባዩ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ። በቲ ተወንጫፍ ቦምባ ዝወረደ ሓደጋ እንተ ሃልዩ ግን ዛጊት ኣይተነጸረን። ሰራዊቱ ካብ ሶማል ንኽስሕቡ ድፍኢት ንምግባር’ውን እቲ ጕጅለ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ኬንያ፡ ኣብ ኬንያ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ እቲ ዜና ወሲኹ ይሕብር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%89%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%95%E1%8B%B5%E1%8A%95%E1%8D%8B%E1%8B%90-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%8B%AD%E1%88%B0%E1%88%9D%E1%88%9B%E1%8B%91\/6943386.html"} {"headline":"ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ከካይዶ ዝጸንሐ ናይ ኦዲት ስራሕ ዛዚሙ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዘለዉ ጨናፍሩ ናይ ኦዲት ስራሕ ከካይድ ዝጸንሐ ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ነቲ ዕዮ ምዝዛሙ ኣብ ትሕቲ ሚንስትሪ ሰላም ዝርከብ ኣተሓባባሪ ኮሚቴ ህፁፅ ስራሕቲ ዳግመ ምጥያስ ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ። ምኽትል አካቢ'ቲ ኮሚቴ ኣቶ ኣበበ ገብረህይወት ፀብፃብ እቲ ኦዲት ንዘተ ከም ዝቐርብን ብድሕሪኡ ድማ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተማልአ ኣገልግሎት ባንኪ ንኽወሃብ መምርሒ ከም ዝህብን ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ንሶም ወሲኾም ምዝዛም ኦዲት ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ወሳኒ ዝኾነሉ ምኽንያት እቲ ባንኪ ንሃገራዊ ባንኪ ወኪሉ ዝውውር ገንዘብ ዝቆፃፀረ ብምዃኑ'ዩ ኢሎም። ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ከተማ መቐለ ኣብታ ከተማ ኣገልግሎት ዝጀመራ ባንክታት ብሰንኪ ዋሕዲ ገንዘብ ስራሐን ደው ከም ዘበላ ሓቢሮም። ምዝዛም ስራሓት ኦዲት ባንክ ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብቲ ክልል ኣጋጢሙ ዘሎ ሃጓፍ ፍታሕ ከምፅእ ብዙሓት ተዘለዎም ተስፋ ገሊጾም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%8B%B3%E1%8B%8A-%E1%89%A3%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-\/6941557.html"} {"headline":"ሓደ ዜጋ ቻይና ኣብ ክልል ኦሮሚያ ተቐቲሉ፣ ኤምባሲ ቻይና መጠንቀቕታ ይህብ","content":"ገብረ ጉርቻ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣስታት 160 ኪሎ-ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ስፍራ፡ ትሽዓተ ዜጋታት ቻይና መጥቃዕቲ ከምዘጋጠሞም ክብል ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ጸብጺቡ። ንኤምባሲ ቻይና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ምንጩ ዝጠቐሰ እቲ ዜና፡ ሓደ ካብቶም መጥቃዕቲ ዝወረዶም ዜጋታት እታ ሃገር’ውን ምቕታሉ ሓቢሩ ኣሎ። ብዛዕባ’ቲ ዝወረደ መጥቃዕቲን ፈጸምቲን ኤምባሲ ቻይና ዝርዝር ኣይሃበን። እንተዀነ ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ፡ ጭውያን ዘረፋን የጋጥም ከም ዘሎ ጠቒሱ፡ ንዜጋታቱ ዝግባእ መጠንቀቕታ ክገብሩ ጸዊዑ ኣሎ። ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ነቶም ኣብ ተኣፋፊ ቦታታት ዘለዉ ዜጋታት ቻይና’ውን ብቕልጡፍ ናብ ውሑስ ቦታ ክወጽኡ እቲ መግለጺ ኣጠንቂቑ'ሎ። ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘጋጥም ዘሎ ተደጋጋሚ ጎንጺ ክንድ'ቲ ዝግበኦ መጠን ሸፈነ ከም ዘይረኸበ ዝገልጽ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ቀረባ እዋን ብቴለፎን ዝተዛራረቡሉ’ውን፡ ሓደ ካብቲ መዛራረቢ ዛዕባ ምንባሩ ይዝከር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%8B%9C%E1%8C%8B-%E1%89%BB%E1%8B%AD%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9A%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%89%90%E1%89%B2%E1%88%89\/6941569.html"} {"headline":"ዕላል ኣብ ማሕበረሰባዊ ዝምድና ኣመንቲ እስልምናን ክርስትናን ነበርቲ ከተማ ደሴ","content":"ኣመንቲ እስልምናን ክርስትናን ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሓባር ከብዕሉን ክትሓጋገዙን ብፍላይ ኣብ ሃይማኖታዊ በዓላቶም ንቡር ተርእዮ'ዩ። ኣብ ከተማ ደሴ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብዚ ወርሒ እዚ ዝተኸበረ በዓላት ጥምቀትን ጊዮርጊስን ዝያዳ መዓርግ ዝሃብዎ ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና ኮይኖም ንረኽቦም። ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብታ ከተማ ዝተቐመጠ ኣቶ ኣስማማው ኣስፋው ኣዘራሪብናዮም ኣለና። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%95%E1%88%8B%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%B2-%E1%8A%A5%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%88%9D%E1%8A%93%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8A%93%E1%8A%95-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8B%B0%E1%88%B4\/6940433.html"} {"headline":"“ሰራዊት ኤርትራ ገና ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ኣሎ” ኣምባሳደር ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ","content":"ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝዀነት ሊንዳ ቶማስ፡ግሪንፊልድ፡ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ሰራዊት ኤርትራ ናብ ዶባቶም ደኣ ይጸግዑ እምበር፡ ገና ግን ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ኣለዉ” ኢላ። ኣምባሳድር ሊንዳ ተወሳኺ ሓበሬታ ደኣ ኣይትሃብ እምበር፡ ሰራዊት ኤርትራ ንኸወጽኡ ከም ዝተሓተቱ’ውን ጠቒሳ። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንዘረባ እታ ኣምባሳድር ኣመልኪቱ ካብ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ምላሽ ከምዘይረኸበ ይሕብር። ላዕለዋይ ወታሃደራዊ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝዀነ ሜጀር ጀነራል ተሾመ ገመቹ፡ ብቐዳም ንወኪላት ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “ኣብ ክልል ትግራይ፡ ብዘይካ ሰራዊት ምክልኻል ፈደራል ናይ ካልእ ሓይሊ የሎን፡” ኢሉ ነይሩ። እንተዀነ ወሃብ ቃል ህወሓትን ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ክልል ትግራይን ዝዀነ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ብትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ ምላሽ፡ ንዘረባ እቲ ወታሃደራዊ ኣዛዚ ብምቅዋም፡ “ገና ኣሽሓት ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ መሬት ትግራይ ኣለዉ” ኢሉ። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ መብርሂ ንምርካብ፡ ካብ ወሃብ-ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ፡ ኣማኻሪ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን፡ ወሃብ-ቃል ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮነሬል ጌትነት ኣዳነ ዝገበሮ ፈተነ ከም ዘይሰለጦ ኣመልኪቱ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8C%88%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%88%AC%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B3%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%88%8A%E1%8A%95%E1%8B%B3\/6939859.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ በዓል ሞያ ሕጊ ኣብ ጉዳይ ሓድሽ መስርሕ ምጥያስ ስደተኛታት ኣብ ኣመሪካ","content":"መንግስቲ ኣመሪካ ስደተኛታት ናብ ሃገሩ ዘጣይሰሉ ሓድሽ ኣገባብ የተኣታቱ’ሎ። “Welcome Group” ዝተስምየ እዚ ሓድሽ መደብ ኣመሪካውያን ውልቀ ሰባት ዝካፈልሉ መስርሕ’ዩ። ብዛዕባ’ዚ ንኸብርሃልና ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ በዓል ሞያ ሕጊ ንዝኾነ ኣቶ ሚካኤል ግርማይ ዓንደገርጊሽ ኣዘራሪብናዮ ኣለና። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%88%9E%E1%8B%AB-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%8C%A5%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB\/6937016.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሱዳን ተራኺቦም፣ ተዘራሪቦም","content":"ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ ኣብ ካርቱም ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሱዳን ምዝርራቡ ምልክት ምድልዳል ምሕዝነት ክልቲአን ሃገራት`ዩ ክብሉ ሰበ-ስልጣን ገሊጾም። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ምስቶም ኣብ ፖለቲካዊ ዘተ ሰላም ሱዳን ዝሳተፉ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ጉጅለታት ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ እቶም ፖለቲካዊ እጀታ ዘለዎም ወገናት ንህዝቦም ከቐድሙን ንናይ ባዕሎም ጸገማት ባዕሎም ፍታሕ ከምጽኡሉን ምዒዱ። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ትዊተሩ ኢትዮጵያ ጣልቃ ኣታዊት ኣይነበረትን ዝብል ጽሑፍ'ውን ኣስፊሩ ሎ። ሱዳንን ኢትዮጵያን ብጉዳይ ዶባትን ጉዳይ ህንጸት ግድብ ሕዳሰን ክስሓሓባ ምጽንሐን ይፍለጥ። ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሱና ክልቲኡ ማለት ጉዳይ ዶብን ጉዳይ ህንጸት ግድብ ህዳሰን ኣብቲ ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይን መራሒ ሱዳን ቡርሓንን ዝተገብረ ርክብ ተላዒሉ ምንባሩ ጠቒሱ`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/6936787.html"} {"headline":"ቃለ-መሕትት ኣብ ጉዳይ ሕማም ሽንግልስ","content":"ኣብ ቆርበት ዝርአ ነድሪ ኣመልኪቱ ክኢላ ተመሓለለፍቲ ሕማማት ዶክተር ሰሎሞን ገብረድንግል ኣዘራሪብናዮ ኣለና። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%88%95%E1%89%B5%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%88%95%E1%88%9B%E1%88%9D-%E1%88%BD%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%8D%E1%88%B5\/6935663.html"} {"headline":"መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ካቢነ ስርርዕ ከካይድ ሓላፍነት ንቤት ምኽሪ ይህብ","content":"ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ፡ ካቢነ እቲ ክልል ዝያዳ ስርርዕ ክግበርን ሓቛፊ ንምግባሩ ክስራሕን ሓላፍነት ሂቡ። እቲ ኣብ ካቢነ ዝግበር ስርርዕ፡ ቅድሚ ትግባረ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ምዃኑን ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ጥራይ ዝትግበርን ምዃኑ’ውን ሓላፊ ቢሮ ኮምኒከሽን እቲ ክልል ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም ንድምጺ ኣመሪካ ኣመልኪቱ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AB%E1%89%A2%E1%8A%90-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%AD%E1%8B%95-%E1%8A%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B5-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8B%AD%E1%88%85%E1%89%A5\/6935672.html"} {"headline":"ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ኣብ ኤርትራ ናይ ሓንቲ መዓልቲ ዑደት ስራሕ ፈጺሙ","content":"ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ዝምራሕ ላዕለዋይ ጕጅለ ልኡኽ መንግስቲ ሩስያ ሎሚ ሓሙስ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ምጽዋዕ ኣትዩ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ናብ ኣስመራ ብምቕጻል ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ካልኦት ሰብ መዚን መንግስቲ ኤርትራ ተራኺቡ ምዝታዩ ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዞባውን ዓለማውን ጉዳያት ኣተኲሮም ምዝታዮም ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ዜና ኣመልኪቱ። ድሕሪ ርክብ ክልቲኦም ወገናት ሚኒስተር ላቭሮቭ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መብርሂ፡ ንተኽእሎታት ምምዕባል መዓርፎ ነፈርቲን ወደባትን ኤርትራ፣ ዝምድና ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ፣ ዞባዊ ምርግጋእን ካልኦት ኣርእስታትን ከም ዝዘተዩ ኣመልኪቱ። ሚኒስተር ላብሮቭ ድሕሪ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝገበሮ ምይይጥ፡ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ሓወልቲ ፑሽኪን በጺሑ። ላዕለዋይ ጕጅለ ልኡኽ ሩስያ ኣማስያኡ ብመገዲ መዓርፎ ነፈርቲ ምጽዋዕ ንሃገሩ ተፋንዩ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%88%A9%E1%88%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%8A%95%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%99\/6935164.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሱዳን ናይ ስራሕ ዑደት ይፍጽሙ","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵይ ኣቢይ ኣሕመድ ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ስራሕ ዑደት ንምፍጻም ሎሚ ሓሙስ ሱዳን ኣትዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ መዓርፎ ነፍርቲ ካርቱም ዝኣተውሉ፡ ወታሃደራዊ መራሒን ፕረዚደንት ሱዳንን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን’ዩ ተቐቢሉዎም። ዑደት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ “ንምሕዝነትን ሽርክነት ክልተ ወገናት ንምትራር’ዩ” ክብል ካብ ቤተ መንግስቲ ሱዳን ዝወጸ መግለጺ ይጠቅስ። ተወሳኺ ዝርዝር ግን ኣይሃበን። ዑደት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ሱዳን ኣብ ወሳኒ ፖለቲካዊ ስግግር ኣብ ዘላትሉ እዋን’ዩ ዝካየድ ዘሎ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ሱዳን ድሕሪ ምእታው ኣብ ናይ ትዊተር ገጾም ኣብ ዘስፈሩዎ ሓጺር ጽሑፍ’ውን፡ መንግስቶም ኣብ ሱዳን ንዝካየድ፡ ናይ ደገ ምትእትታው ዘይብሉ ናጻ ሕርያን ፖለቲካዊ ዘተን ከም ዝድግፉ ገሊጾም። እዚ ዑደት፡ ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ብወታሃደራዊ ዕልዋ ንሲቪላዊ መንግስቲ ድሕሪ ምእላዩ ናይ ፈለማ’ዩ። ዝምድና ክልተኣን ሃገራት ተደጋጋሚ ውረድ፡ደይብ እኳ እንተ ጸንሖ፡ ካብ ቀረባ ግዜ ኣትሒዙ ግን ዝርአ ምትፍናን የሎን። ንባዕሉ ኣብ ከቢድ ፖለቲካዊ ዘይርጉእነት ዘሎ ምምሕዳር መንግስቲ ሱዳን’ውን፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ንዅላቶም ሓይልታት ዘጣምር ሓቛፊ መርሓ ምፍራሙ ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A2%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8D%8D%E1%8C%BD%E1%88%99\/6935041.html"} {"headline":"ኣቶ በረኸት ስምኦን ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም","content":"ኣቶ በረኸት ሎሚ 25 ጥሪ 2023\/17 ጥሪ 2015 ካብ ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ናይ ማእሰርቲ ግዚኦም ወዲኦም ምዃኖም ጠበቓኦም ህይወት ሊላይ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢረን ኣለዋ። ኣቶ በረኸት ኣብ ኮርፐረሽን ጥረት ኣካቢ ቦርድ ኮይኖም ኣብ ዝሰርሕሉ እዋን ገበን ፈጺሞም'ዮም ብዝብል ክሲ ኣብ 2011 ኣብ ቀይዲ ዝኣተው ኮይኖም፡ ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ክርአ ጸኒሑ'ዩ። ነቲ ጉዳይ ዝርእይ ዝነበረ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ክልል ኣምሓራ \"ንስራሕ ምቹእ ዘይኮነ ኣመራርሓ\" ብዝብል ክሲ ንሽዱሽተ ዓመትን 10,000 ሽሕ ብርን መቕጻዕቲ ወሲኑሎም። እቲ መጋባእያ ኣቶ በረኸት ንህዝቢን ሃገርን ዘመሓደረሉ ዘበርኸትዎን ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ መቕጻዕቲ ክፋኾስ ሓቲቱ ምንባሩ ይዝከር። ኣቶ በረኸት ተወሳኺ ኣብ ዳሽን ቢራ ናይ ኣክስዮን መሸጣ ግቡእ ዘይምንባሩ፡ ምስ ናይ እንግሊዝ ዱየትስ ቢቬርትስ ዝተባህለ ትካል ዝተበጽሐ ስምምዕ ብዝምልከት ናይ ገንዘብ ምጥፍፋእን እቲ ትካል ናብ ጥረት ከእትዎ ዝነበረ ገንዘብ ኣየእተወን ዝብሉ ክሲታት ቀሪብሎም ምንባሩ ይፍለጥ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%8A%B8%E1%89%B5-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%8A%A6%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%89%B2%E1%88%96%E1%88%9D\/6933447.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ነቲ ዝፀነሐ ፖሊሲ ትምህርቲ ትቕይር ኣላ","content":"ኢትዮጵያ ነቲ ን28 ዓመታት ኣብ ስራሕ ዝፀነሐ ፖሊሲ ትምህርቲ ንምቕያር ሓድሽ ፖሊሲ ኣዳልያ ንምትግባሩ ኣብ ምድላው ከም እትርከብ ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣፍሊጦም። ናይቲ ፖሊሲ ረቂቕ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ቀሪቡ ዘተ ተገይርሉ ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ ዘተ መደረ ዘስምዑ ሚኒስትር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር ብርሀኑ ነጋ፡ እቲ ሓድሽ ፖሊሲ ክፈጥሮ ብዛዕባ ዝኽእል ለውጢ ዘለዎም ተስፋ ገሊፆም። እቲ ሓድሽ ፖሊሲ፡ ነቲ ኣብ 10ይ ክፍሊ ዝውዳእ ዝነበረ ትምህርቲ ክሳብ 12 ክፍሊ ክኸውንን ተማሃሮ ብውሑዱ ብሰለስተ ቋንቋታት ንኽመሃሩ ከምዝግበር እውን ይሕብር። ካብ ቀዳማይ ክሳብ 12 ክፍሊ ትምህርቲ ብነፃ ከምዝወሃብን፡ ክሳብ 6ይ ክፍሊ ምምሃር ድማ ግዴታ ከምዝኾነን ይገልፅ። ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብዓለምለኸ ደረጃ ተወዳደርቲ ንክኾና ርእሰን ከመሓድራ ከምዝፍቀደለን እቲ ሓድሽ ፖሊሲ የመልክት። ብመሰረት እቲ ሓድሽ ፖሊሲ፣ ንተመረቕቲ ዩኒቨርሲቲታት ናይ መውፅኢ ፈተና ክወሃቦም እዩ።እቲ ናይ ፖሊሲ ሰነድ ኩሎም ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ፡ ብውሕዱ 20% ጊዜኦም ኣብ ኢንዱስትሪታት ከሕልፉ ከምዝግበር እውን ተሓቢሩ ኣሎ። ኢንዱስትሪታት ድማ ንስልጠናታት ቴክኒክን ሞያን ብገንዘብ ዝሕግዛሉ ኣሰራርሓ ክህሉ እዩ ይብል ። እቶም ምሁራን ኣብቲ ረቂቕ ፖሊሲ ንዝተዓዘቡዎም ብልጫታትን ክፍተታትን ኣልዒሎም ዘትዮም። ዩኒቨርስታት ብርእሰን ክመሓደራ ዝህበን ናጽነት ከም ዓቢ ብልጫ ክገልጹ እንከለዉ፡ እቲ ሰነድ ምሉእነት ብዘለዎ ሓበሬታ ዝተደገፈ ኣይኮነን ዝብል ርእይቶ ድማ ሂቦም። ፖሊሲ ምውፃእ በይኑ ለውጢ ኣየምፅእን ዝበሉ እቶም ምሁራት፡ ብፍላይ ኣብቲ ዓውዲ ምስ ፍልጠት፡ ዓቕምን፡ ናብራን መማህራን ተኣሳሲሩ ዝረአ ፀገም ክፍታሕ እንተዘይክኢሉ እቲ ፖሊሲ ክዕወትን ኣይኽእልን ይብሉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%90%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%8D%80%E1%8A%90%E1%88%90-%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B2-%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%B5%E1%89%95%E1%8B%AD%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%88%8B\/6933400.html"} {"headline":"ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ሎሚ ከምዝጅመር ተሓቢሩ","content":"ምልኣተ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ሎሚ 25 ጥሪ 2023 ከምዝጅመር ተሓቢሩ።እቲ ጉባኤ ዝተጸውዓ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ካብ ሕጊ ወፃኢ ብዝኾነ ኣገባብ ዝተዋህበ ዝበለቶ ሹመት ጳጳሳት ተዘራሪባ ንምውሳን እዩ። ብኻልእ ወገን ኣብ በሪ ቤተ ክህነትን ከባቢኡን ኣብ ሓለዋ ነይሮም ዝበሉዎም ኣባላት ፖሊስ ምልዓሎም ብምግላፅ መንግስቲ ፀጥታ ናይ ምኽባር ስርሑ ክቕፅል ኣለዎ ክብሉ ዋና ፀሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ሊቀ ጳጳስን ሃገረ ስብከት ኒውዮርክን ብፁእ ኣቡነ ጴጥሮስ ሓቲቶም። ንዝቐረበ ቅሬታ መልሲ ዝሃቡ ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ምኽትል ኮማንደር ማርቆስ ታደሰ ክሳብ ሕጂ ሓይሊ ፖሊስ ኣብ ዝኾነ ይኹን ትካል ተመዲቡ ዝሕለወሉ ኣሰራርሓ የለን ኢሎም። \"ስግኣት ኣሎ ዝብል መረዳእታ እንተሃሊዩ ግን ካብ ገበን ንምክልኻል ምስ ስራሕና ኣዋዲድና ክንፍፅም ኢና’’ኢሎም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%89%E1%89%A3%E1%8A%A4-%E1%89%85%E1%8B%B1%E1%88%B5-%E1%88%B2%E1%8A%96%E1%8B%B6%E1%88%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8C%85%E1%88%98%E1%88%AD-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6933620.html"} {"headline":"ሃገራዊ ቦርድ ድሕነት መጎዓዚያ ኣመሪካ ንጸብጻብ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ዝወደቐት ነፋሪት ቦይንግ ይነጽግ","content":"ሃገራዊ ቦርድ ድሕነት መጎዓዚያ ኣመሪካ ኢትዮጵያ ኣብ መጋቢት 2019 ንዘጋጠመ ሓደጋ ምሕምሻሽ ቦይንግ 737 ማክስ ዝምልከት ዘቕረበቶ ሪፖርት ብምንቃፍ መርመርቲ ብቅዓት ሰራሕተኛታት በረራ ብዝግባእ ኣይርኣዩን ክብል ትማሊ ሰሉስ ኣፍሊጡ። ኣደ መንበር'ቲ ቦርድ ጀነፈር ሆመንዲ ምስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ ምልልስ ናይ ኢትዮጵያ ቤት ጽሕፈት መርመ ነፈርቲ ኣብ ፀብፃቦም ጌጋ ፈፂሞም ኣለው ኢላ። \"ኣብ ኩነታት ኣሰራርሓ ናይቶም ሰራሕተኛታት በረራ ብዕሙቐትን ብዝግባእ ድሉዋት ምዃኖምን ዝመርመሩ ኮይኖም ኣይተሰመዐናን:ክንዲ'ቲ ክኸውን ዝግብኦ ሰፊሕን ዕቱብን ኮይኑ ኣይተሰምዐናን’’ ኢላ። ቦይንግ 737 ማክስ ኣብ 2018 ኣብ ኢንዶኖዢያ ኣብ 2019 ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ምሕምሻሽ እተን ነፈርቲ ን20 ኣዋርሕ ጠጠው ክብላ ብምግዳደን ቦይንግ 20 ቢሊዮን ዶላር ክኸስር ገይሩዎ እዩ።ቦይንግ ነዚ ዜና ርእይቶ ንምሃብ ፍቓደኛ ኣይኮነን። ናይ ኢትዮጵያ መንገዲ ኣየር ዝኾነት ቦይንግ 737 ማክስ ኣብ 2019 ኣብ ጥቓ ከተማ ደብረዘይት ተሓምሽሻ ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ኹሎም ተሳፈርታ 157 ሰባት ምሟቶም ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%89%A6%E1%88%AD%E1%8B%B5-%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%8E%E1%8B%93%E1%8B%9A%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%95%E1%8C%B8%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%8B%B0%E1%89%90%E1%89%B5-%E1%8A%90%E1%8D%8B%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%89%A6%E1%8B%AD%E1%8A%95%E1%8C%8D-%E1%8B%AD%E1%8A%90%E1%8C%BD%E1%8C%8D\/6933647.html"} {"headline":"ዘይቲ ስምስም፤ ኣድላይነቱ ማዕረ ሃልኩ","content":"ብልምዳዊ ኣገባብ ዝጽመቝ ዘይቲ ስምስም፡ ንምድላዉ ነዊሕ ጻዕሪ ከም ዝሓትት ኣብቲ ሞያ ዝነጥፉ ሓረስቶት ይገልጹ። እቲ ባህርያዊ ዘይቲ ንሓያሎ ሕማማት ከም ዝፍውስ’ዩ ዝእመን። ዋጋኡ፡ ኣብ ዕዳጋ ብዘሎ መሸጣ ሰሊጥ ስለ ዝውሰን ግን፡ ክብን ለጠቕስን ክብል ከም ዝግደዱ ኣፍረይቲ ይዛረቡ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%8B%B5%E1%88%8B%E1%8B%AD%E1%8A%90%E1%89%B1-%E1%88%9B%E1%8B%95%E1%88%A8-%E1%88%83%E1%88%8D%E1%8A%A9\/6930388.html"} {"headline":"ሚ\/ጉ\/ወ ኣመሪካ ንምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ 'ዓብይ ገስጋስ'ዩ' ክብሉ ገሊጾም","content":"ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊከን ኣብ ክልል ትግራይ ዝጸንሐ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ቀንዲ ከተማታት ክወጽእ ምጅማሩ፡ “እቲ ተበግሶ ኣብ መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያ ዓቢ ገስጋስ’ዩ፡” ክብሉ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ቴለፎን ዝርርብ ገሊጾም። ንርክብ ክልቲኦም ሰብ-መዚ ዝሓበረ ጋዜጣዊ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ነቲ ዘሎ ምዕባለታት ድሕሪ ምንኣድ፡ ኣብቲ ጎንጺ ዝተኻየደሉ ቦታታት’ውን ናጻ ኣካላት ከይዶም ክዕዘቡ ኣተሓሳሲቡ። ክልተኦም መራሕቲ ኣብ ኦሮሚያ ዘሎ ዘይምርግጋእ ዝዓርፈሉ መገዲ ምጥቃሶም’ውን ኣብቲ መግለጺ ተመልኪቱ ኣሎ። ካብ ዓርቢ ኣትሒዞም ሰራዊት ኤርትራ ካብተን ከተማታት ሽረ፡ ኣኽሱምን ዓድዋን፡ ብዓበይቲ መካይን ተጻዒኖም ክወጽኡ መሰኻኽር ዓይኒ ካብቲ ቦታ ሓቢሮም’ዮም። ወታሃደራት ኤርትራ፡ ብዓበይቲ መካይንን ኣውቶቡሳትን ተጻዒኖም ካብ ከተማታት ክልል ትግራይ ክወጽኡን ናብ ኣስመራ’ውን ክኣትዉን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ምስ መሰነይታ ምስልታት ክዝርጋሕ ቀንዩ’ዩ። እንተዀነ፡ እቶም ሰራዊት ጠቕሊሎም ዲዮም ወጺኦም ወይስ ገለ ኣባላት ኣብ ክልል ትግራይ ኣለዉ ንዝብል ብናጻ ኣካላት ምርግጋጽ ኣይተኻእለን። ኣብ ዓድዋን ሽረን ዝቕመጡ ነበርቲ፡ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ከም ዝሓበሩዎ ግን ውሑዳት ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ብቐዳምን ሰንበትን ኣብ ክልተኡ ከተማታት ከም ዝርኣዩ ሓቢሮም። ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ግን ነቲ ዝተባህለ ብናጻ ምንጪ ከረጋግጾ ከም ዘይከኣለ ኣመልኪቱ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%8C%BB%E1%8A%A5-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%93%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8C%88%E1%88%B5%E1%8C%8B%E1%88%B5-%E1%8B%A9-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/6930100.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ብብረት ዝተሰነየ ግጭት ምክያዱ ኣመሓዳሪ'ቲ ዞባ ገሊጾም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ዞባ ብሔረሰብ ኦሮሞ ከተማ ሰንበቴን ከባቢኣን ሎሚ ሰኑይ 23 ጥሪ 2023 ብብረት ዝተሰነየ ግጭት ከም ዝነበረ ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ኣሕመድ ዓሊ ንሬድዮ ድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም። ቅድሚ ትማሊ’ዉን ብቀበሌታትን ወረዳታትን ዞባ ብሄረሰብ ኦሮሞ ተኸቢባ ኣብ ትርከብን ኣብ ዞባ ሰሜን ሽዋ ኣብ ወረዳ ኤፍራታ ግድም ትርከብ ቀበሌ ጀውሃው ካልእ ግጭት ከም ዝነበረ ተገሊፁ’ሎ። እቲ ናይ ሰንበቴ ግጭት ዝተወለዐ ንኩነታት ጀውሃው ንምቑፅፃር ፃዕሪ እናተገብረ እንከሎ ምዃኑ ዝገለፁ ኣቶ ኣሕመድ ዓሊ መበገሲን ዝወረደ ጉድኣትን ብዝምልከት ሓበሬታ ከምዘይብሎም ተዛሪቦም’ለዉ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ግዛቸው ሙሉነህ ብወገኖም እቲ ክልል ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ይዘራረብ ከምዘሎ ገሊፆም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%89%A5%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%8A%90%E1%8B%A8-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8B%AB%E1%8B%B1-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%B3%E1%88%AA-%E1%89%B2-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/6930374.html"} {"headline":"ኣባንጋል ናብ መሳርሒ ሙዚቃ ኩናማ ምስ ዘርዓመ ኣሮዲ ቶሊ","content":"“ኣለሚየ” ብእትብል ደርፉ ዝያድ ዝፍለጥ ድምጻዊን ሙዚቀኛን ኣሮዲ ቶሊ፡ ካብ ሰማዕቲ ተኸዊሉ ደኣ ይጽናሕ እምበር፡ ምስ ሓደስቲ ደርፉ ክምለስ ምዃኑ ይሕብር። ኣሮዲ፡ ናብ ህዝቢ ዘይበጽሐት ሓዳስ ደርፊ’ውን ኣካፊሉ ኣሎ፡ ኣብ ባረንቱ ዝተኻየደ ዕላል ኣብ መደብ ቂሐ-ጽልሚ ንከታተሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%8A%95%E1%8C%8B%E1%88%8D-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%88%B3%E1%88%AD%E1%88%92-%E1%88%99%E1%8B%9A%E1%89%83-%E1%8A%A9%E1%8A%93%E1%88%9B-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%98%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%88%98-%E1%8A%A3%E1%88%AE%E1%8B%B2-%E1%89%B6%E1%88%8A\/6927267.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ኣብ አባላት ካቢነ ለውጢ ምግባሩ ኣፍሊጡ","content":"ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ናይ ካቢነ ለውጢ ምግባሩ ሎሚ ዓርቢ 20 ጥሪ 2023 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ተገይሩ ዘሎ ለውጢ ካቢነ ኣብ ሚንስተራት መጎዓዝያ፡ ማዕድንን ሕርሻን ክኸውን ከሎ፡ ኣለሙ ሲመ ሚንስተር መጎዓዝያን ሎጂስትክስን፡ ሃብታሙ ተገኝ ሚንስተር ማዕድን፡ ግርማ ኣመንተ ድማ ሚንስተር ሕርሻ ኮይኖም ተሸይሞም ኣለዉ። እቲ ቀዳማይ ሚንስተር ብተወሳኺ፡ ንኣለምጸሃይ ጳውሎስ ሚንስተር ጉዳያት ካቢነን ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተርን ጌሩ ሸይሙዋ`ሎ። እቶም ሓደሽቲ ሚንስተራት ነቶም ብኽብሪ ተፋንዮም ዝተባህሉ ኣርባዕተ ሚንስተራት ክትክኡ`ዮም። ካብ መንጎ ዝተተክኡ ሓደ ሚንስተር ማዕድን ዝነበረ ታከለ ኡማ ተጠቃሳይ`ዩ። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ብተወሳኺ ንማሞ ምሕረቱ ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ጌሩ መዚዝዎ`ሎ። ባይቶ ኢትዮጵያ ንወርሒ ዕረፍቲ ቅድሚ ምውጽኡ ነቶም ብቀዳማይ ሚንስተር ዝተሰየሙ ሰበ-ስልጣን ክጽድቕ ትጽቢት ይግበር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A2%E1%8A%90-%E1%88%88%E1%8B%8D%E1%8C%A2-%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%88%A9-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6926952.html"} {"headline":"ቅዱስ በዓል ጥምቀት ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብኽብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ተኸቢሩ ውዒሉ","content":"በዓል ጥምቀት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ በብይኑ ከተማታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ኣሽሓት ምእመናን በጻሕቲን ኣብ ዝተረኽቡሉ ብድሙቕን ሰለማዊ መገዲን ምሕላፉ ወኪላት ድምጺ ኣመሪካ ካብ በበይኑ ኵርናዓት ሓቢሮም። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጃን ሜዳ ኣብ ዝተባህለ ስፍራ፡ ብዙሓት ምእመናን ዕዱማት ኣጋይሽን ነቲ ሃይማኖታዊ ጽንብል ምስታፎም ወኪልና ካብቲ ቦታ ልኢኹ። ኣብ ከተማ መቐለ፡ ሎሚ ንሳልሳይ ዓመቱ እቲ በዓል ኣብ ኣድባራት ተኸቢሩ'ሎ። ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ባሕረ ጥምቀት ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ዝተኻፈሉ ምእመናን፡ እቲ በዓል ሃይማኖታውን ባህላዊን ትሕዝቶኡ ሓልዩ ብምዕሩግ ኣገባብ ከም’ተኸብረ ወኪልና ካብ ኣስመራ ልኢኹ ኣሎ። እቲ በዓል ከከም ቦታኡን ኣከባቢኡን ኣብ በበይኑ ከባቢታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሰላም ምሕላፉ’ውን ዝበጽሓና ጸብጻባት የመልክት። በዓል ጥምቀት ኣብ መዝገብ ዩኔስኮ ምስ ዘይድህሰስ ቅርስታት ምዝግቡ ምዃኑ ይፍለጥ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%85%E1%8B%B1%E1%88%B5-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8C%A5%E1%88%9D%E1%89%80%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-\/6925400.html"} {"headline":"ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዓዲ ግራት ኣትዩ","content":"ንስምምዕ ፕሪቶሪያን ናይሮቢን ስዒቡ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ካብ ቅድሚ ትማሊ ሰሉስ ጀሚሩ ናብ ከተማ ዓዲ ግራት ኣትዩ ኣሎ። እቲ ሰራዊት ካብ ማእከል ከተማ ፍንትት ኢሉ ኣብ ዝርከብ ቅድሚ ሎሚ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ወተሃደራዊ ካምፕ ሰፊሩ ምህላዉ’ውን ኣመሓዳሪ ከተማ ዓዲ ግራት ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%93%E1%8B%B2-%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%A9\/6925366.html"} {"headline":"“ዋጋ ብር ንምጕዳል መደብ የለን” ሚ\/ሪ ፋይናንስ ኢትዮጵያ","content":"ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኢትዮጵያ ካብ ዓለማዊ ማዕከን ገንዘብ ሓገዝ ንምሕታት ኣብ ዝሰርሓሉ ዘሎ እዋን፡ “ዋጋ ብር ንምጕዳል ትሰርሕ ኣላ፡” ዝብል ወረ ፍጹም ካብ ሓቂ ዝረሓቐ’ዩ ከም ዝበለ ንምኽትል ሚንስተር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ኢዮብ ተካለኝ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።\\n\\nከም ሓበሬታ እቲ ኣገልግሎት ዜና፡ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኢትዮጵያ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ምፍራሙ፡ ካብ ዓለማዊ ማዕከን ገንዘብ ድጋፍ ንምርካብ ይሓትት ኣሎ።\\n\\nሮይተርስ ወሲኹ ከም ዝገለጾ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ወግዓዊ ሸርፊ ብር ብመንጽር ዶላር 1 ዶላር ን 53.42 ብር ደኣ ይሃሉ’ምበር፡ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ግን ንሓደ ዶላር ካብ 96 ክሳብ 97 ብር’ዩ ዝሽረፍ።\\n\\nምኽትል ሚኒስተር ፋይናንስ ኢዮብ ተካለኝ ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ከም ዝጸሓፎ ነቲ ዘሎ ቁጠባዊ ሽግራት ዝመጣጠን ስርርዕ ክግበር ባህርያዊን ኣብ ቅድሚት ዝስራዕን እኳ እንተዀነ፡ ንሱ ግን ዋጋ ብር ብምንካይ ከም ዘይከውን ኣስሚሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8B%E1%8C%8B-%E1%89%A5%E1%88%AD-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8C%95%E1%8B%B3%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%8B%B0%E1%89%A5-%E1%8B%A8%E1%88%88%E1%8A%95-%E1%88%9A-%E1%88%AA-%E1%8D%8B%E1%8B%AD%E1%8A%93%E1%8A%95%E1%88%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/6925193.html"} {"headline":"ወፍሪ ንሰላም፤ “ጕዕዞ ንፍትሒን ሰላምን”","content":"ኣብ 2018 ዝተመስረተ “ወፍሪ ንሰላም” ዝተሰምየ ምትእኽኻብ ኤርትራውያንን ተወላዶ ትግራይን፡ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ፡ ካብ ዓርቢ 13 ጥሪ ክሳብ ሰንበት 15 ጥሪ 2023 ዝቐጸለ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ኣካዪዱ ነይሩ። እቲ ንሰላም ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ዓውደ-ዘተን ባህላዊ ምሸታትን ዘጠቓለለ መድረኻት፡ “ጕዕዞ ንፍትሒን ሰላምን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ’ዩ ተሰላሲሉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%88%E1%8D%8D%E1%88%AA-%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8C%95%E1%8B%95%E1%8B%9E-%E1%8A%95%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%92%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D%E1%8A%95-\/6923708.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ናይ ጸሓይ ጸዓት ንምፍራይ፡ ምስ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኩባንያ ማስዳር ስምምዕ ፈሪማ","content":"ኢትዮጵያ 500 ሜጋዋት ናይ ጸሓይ ጸዓት ፕሮጀክት ንምምዕባል ምስ ናይ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ኩባንያ ማስዳር ስምምዕ ፈሪማ ክብሉ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ሎሚ ረቡዕ ኣፍሊጦም። እዚ ስጉምቲ ኢትዮጵያ ናይ ጸዓት ዓቕማ ከተስፍሕን ዝተፈላለየ ኣማራጺታት ፀዓት ክትጠቅምን ዘኽእላ ቀንዲ ተበግሶ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ እዩ። ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብጠቕላላ ኣስታት 4,898 ሜጋዋት ሓይሊ ምጥቓም ዘኽእላ ሓይሊ ኣለዋ።ካብዚ እቲ 91% ካብ ሃይድሮኤሌክትሪክ ዝምንጭው እዩ። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብ ዝዘርግሕዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ \"ክልተ ናይ ፀሓይ ተቐበልቲ ማእኸላት Photovolatic ንምምዕባል ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ማስዳርን ሓባራዊ ስምምዕ ምፍርራምና ምርኣይ ታሕጓስ ይስምዓኒ’’ ኢሎም።ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ብምውሳኽ ክልቲኦም ማእኸላት 500 ሜጋዋት ፀዓት ናይ ምፍራይ ተኽእሎ ኣለዎ ኢሎም። ብዛዕባ እዚ ካብ ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ቢልለኔ ስዩምን ሓላፊ መንግስታዊ ኢንቨስትመንትን ርእይቶ ንምርካብ ዝገበሮ ፃዕሪ ከምዘይሰለጦ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ገሊፁ።ማስዳር እውን ንሮይተርስ መልሲ ኣይሃበን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8B%AD-%E1%8C%B8%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%88%9B%E1%88%AB%E1%89%B5-\/6923801.html"} {"headline":"ሓድሽ ፕረዚደንት ፈደራል ጠቅላሊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ተመዚዙ","content":"ፕረዚደንት ፌደራል ጠቅላሊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ መኣዛ ኣሸናፊን ምኽትለንን ሰለሞን አረዳ ብፍቃዶም መዝነቶም ምሕዳጎም ተገሊጹ። ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ፕረዚደንት ፌደራል ጠቅላሊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኾይነን ዘገልገላ መኣዛ ኣሸናፊን ምኽትለን ኣቶ ሰሎሞን አረዳን ሎሚ ሰሉስ 17 ጥሪ 2023 ብፍቃዶም መዝነቶም ምሕዳጎም ተገሊጹ። ኣብ ክንድአን ኣቶ ቴድሮስ ምሕረትኣብ ከበደ ፕረዚደንት ፌደራል ጠቅላሊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ወ\/ሮ ኣበባ እምቢኣለ ኸኣ ምኽትል ፕረዚደንት ፌደራል ጠቅላሊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኾይኖም ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተመዚዞም ኣለው። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%8C%A0%E1%89%85%E1%88%8B%E1%88%8A-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9A%E1%8B%99-\/6921994.html"} {"headline":"ቃለ ምልልስ ምስ ድሕሪ ኣዋርሕ ምስ ስድረኣን ብስልኪ ዝተራኸባ ተወላዶ ትግራይ","content":"ስምምዕ ሰላም ስዒቡ ኣገልግሎት ስልኪ ብምኽፋቱ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ምስ ኣባላት ስድርእን ዳግም ዝተራኸባ ኣባላት ዳያስፖራ ትግራይ ዝተኻየደ ቃል ምልልስ እዩ። ንሳተን ሰላም ምፍጣሩ ሕጉሳት እየን።ተስፋ ኣለወን።ስግኣት እውን ኣለውን።ኣባላት ስድርአን ከመይ ኣለው?ዝብሉን ካልኦት ሓቲትናየን ኣለና።ገ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%88%8D%E1%88%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%B5%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%8A%A3%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8A%AA-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%B8%E1%89%A3-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B6-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/6917344.html"} {"headline":"ቤት ፍርዲ ኔዘርላንድስ ንጉዳይ “ወሊድ” ምስማዕ ጀሚሩ","content":"ቤት ፍርዲ ኔዘርላንድስ ንጉዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ተኸሲሱ ኣብ ቀይዲ ዘሎ ኤርትራዊ ተወልደ ጎይትኦም (ወሊድ) ሎሚ ሰሉስ ክሰምዕ ምጅማሩ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣመልኪቱ። “ወሊድ” ብዝብል መጸውዒ ስሙ ዝያዳ ዝፍለጥ ተወልደ ጎይትኦም፡ ዝሓለፈ ዓመት’ዩ ኣብ ኢትዮጵይ ድሕሪ ምትሓዙ ናብ ፖሊስ ኔዘርላንድስ ተረኪቡ። ጥርጡር ብመገዲ ተርጓሚ ኣቢሉ ካብ ዘለዎ ዝተባህለ ስፍራ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ዝደለ ሰብ ንሱ ዘይምዃኑን ግዳይ ግጉይ መንነት ምዃኑን ኣመልኪቱ። ፖሊስ እታ ሃገር ግን ንሱ ምዃኑ ምሉእ ጭብጢ ከም ዘለዎም መጒቶም። ብብዙሓት ግዳያት ኣብ ኔዘርላንድስ ክሲ ምስ ተመስረተሉ ዝሓለፈ ዓመት ናብታ ሃገር ዝተረከበ ወሊድ፡ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት፡ ሞት፡ ጾታዊ ዓመጽን ካልእ ግፍዒታትን ምዝራፍ ገንዘብን ይኽሰስ። ምስቲ ኣብ ሓድሽ ዓመት ኣብ ሱዳን ዝተተሓዘ ጥርጡር ኣሰጋጋሪ ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያም፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ መርበብ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ዝግበር ስርሒት ዓቢ ዓወት ምዃኑ ኣኽባር ሕጊ እቲ ቤት ፍርዲ ጠቒሱ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%94%E1%8B%98%E1%88%AD%E1%88%8B%E1%8A%95%E1%8B%B5%E1%88%B5-%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8B%88%E1%88%8A%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%9B%E1%8B%95-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9\/6912190.html"} {"headline":"መገዲ ኣየር-ኢትዮጵያ “ጊዝያዊ” ዝበሎ ናይ ዕድመ ገደብ ንተጓዓዝቲ መቐለ የንብር","content":"ድሕሪ ምጅማር ስሩዕ በረራ ካብን ናብን መቐለ፡ ምስ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ክራኸቡ ዝደለዩ ተጓዓዝቲ፡ ነፋሪት ምስቃል ከም ዝተኸልከሉ ገሊጾም። እቶም መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ምስቃል ዝተኸልከሉ ካብ ክሊ ዕድመ 16 ክሳብ 65 ምዃኖም’ውን እቲ ዝበጽሕና ዜና ይሕብር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%A8%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8C%8A%E1%8B%9D%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%8E-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%95%E1%8B%B5%E1%88%98-%E1%8C%88%E1%8B%B0%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%8C%93%E1%8B%93%E1%8B%9D%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8B%A8%E1%8A%95%E1%89%A5%E1%88%AD\/6910758.html"} {"headline":"ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ደሕንነትን ኢትዮጵያ ዝነበሩ 9 ተኸሰስቲ ተፈቲሖም","content":"ኣቶ ያሬድ ዘሪሁን ዝርከቡዎም እሱራት ሎሚ 9 ጥሪ 2023 ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም። ጉዳዮም ኣብ ትሕቲ መዝገብ ክሲ ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ ብቤት ፍርዲ ፌደራል ክረአ ዝፀነሐ 9 ተኸሰስቲ ሎሚ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም። እቶም ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝፀንሑ ናይ ቀደም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ደሕንነትን ኢትዮጵያ፤ ም\/ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ኣቶ ያሬድ ዘሪሁንን ኣብቲ ትካል ናይ ስራሕ ሓላፊ ዝነበሩ ኣቶ ኣማኑኤል ኪሮስን ዝርከቡዎም 9 ተኸሰስቲ እዮም። ኩሎም ድማ ሎሚ ከምዝተፈትሑ ድምፂ ኣሜሪካ ካብ ስድራ ተኸሰስቲ ኣረጋጊፁ ኣሎ። ቤት ፍርዲ ፌደራል፣ ልደታ መጋባእያ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ልዕሊ እቶም ትሽዓተ ተኸሰስቲ ካብ 3 ክሳብ 5 ዓመት ብዝነውሕ ማእሰርቲ ክቕፅዑ ወሲኑ ነይሩ። ካብኣቶም እቶም ሰለስተ ናይ ማእሰርቲ ጊዜኦም ስለዝዛዘሙ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብቲ ዕለት ንክፍትሑ ወሲኑ እዩ። ምኽትል ዋና ዳይሬክተር ኣቶ ያሬድ ዘሪሁን ዝርከቡዎም እቶም 6 ተኸሰስቲ ድማ ካብ ዝተትሓዝሉ 30 ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም ጀሚሮም ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት ስለዝተኣሰሩ፣ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ብኣመክሮ ከምዝፍትሑ ጠበቓ እቶም ተኸሰስቲ ኣቶ ክፍላይ መሓሪ ንድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም ነይሮም። እቶም ሎሚ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ሰባት ቅድም ክብል ብገበን ብልሽውና ተኸሲሶም ዝነበሩ ኾይኖም፣ ዳሕራይ ግን ጉዳዮም ምስ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተኣሳሰር ስለዝተገለፀ፣ ክሶም ተለዊጡ ብሕጊ ገበን ክከላኸሉ ከምዝተወሰነ ኣቶ ክፍላይ ሓቢሮም። ቤት ፍርዲ ፌደራል ኢትዮጵያ ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ዋና ዳይሬክተር ሃገራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ነበር ኣቶ ጌታቸው አሰፋን ካልኦት ሓለፍቲ እቲ ትካልን ካብ 18 ዓመት ክሳብ 9 ወርሒ ናይ ማእሰርቲ ጊዜ ክቕፅዑ ከምዝወሰነ ይዝከር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%A8%E1%8B%B3%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8A%95-%E1%8B%B0%E1%88%95%E1%8A%95%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A9-9-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%88%B0%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%89%B2%E1%88%96%E1%88%9D\/6910745.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ነዳዲ ዝህቦ ድጎማ ብምንካይ ወሰኽ ነዳዲ ጌሩ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መሸጣ ነዳዲ ዘይቲ ዝህቦ ድጎማ ናይ ምንካይ ከይዲ ብምቅፃል ኣብ ናይ’ዚ ዓመት በጀት ንሳልሳይ ጊዜ ወሰኽ ዋጋ ጌሩ’ሎ። በዚ ወሰኽ ዋጋ ንመብሰሊ መግቢ ዝውዕል ጋዝን ከምኡ’ዉን ናፍታን ክብ ዝበለ ወስኽ ክግበር ከሎ ኣብ ቤንዚን ዝተገብረ ወሰኽ ግን መጠነኛ ምኻኑ ተገሊፁ’ሎ። እዚ ድጎማ 10-ሚልዮን ወጻኢ ከምዝገብረ ዝገልጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ትሑት ብርኪ መነባብሮ ዘሎ ሕብረተሰብ ኣብ ዝጠቅሙ ውፂኢት ነዳዲ ዘይቲ ተወሳኺ ናይ 2-ቢልዮን ብር ድጎማ ምግባሩ ኣፍሊጡ'ሎ። ሕጂ ኣብ ከተማ ዝዓዩ ታክስን ሃገር ዘቋርጹ ኣገልግሎት መጉዓዝያ ዝ ህቡ ተሽከርከርቲን ተወሳኺ ድጎማ ክግበረሎም’ዩ ተባሂሉ’ሎ። ወነንቲ ተሽከርከርቲ ግን እቲ ወሰኽ ከም ዝበዝሐን ኣብ ቀረብ ነዳዲ ዘይቲ’ዉን ፀገም ምህላዉን ይገልፁ። ተረባሕቲ’ቲ ድጎማ ንምኻን ደልዮም ግን ክኮኑ ዘይከኣሉ ምህላዎም’ዉን ተዛሪቦም’ለዉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%90%E1%8B%B3%E1%8B%B2-%E1%8B%9D%E1%88%85%E1%89%A6-%E1%8B%B5%E1%8C%8E%E1%88%9B-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%8A%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%BD-%E1%8A%90%E1%8B%B3%E1%8B%B2-%E1%8C%8C%E1%88%A9\/6910782.html"} {"headline":"ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ተስፋ ይገብሩ","content":"ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ኲናት ሃዲሞም ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ነቲ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ተስፋ ኣለዎም። እንተኾነ ግን ንደሕንነቶም ሎሚ እውን ስግኣት ኣለዎም። ገለ ካብቶም ኣብ ክልል ትግራይ ንኽልተ ዓመታት ክካየድ ዝፀንሐ ኲናት ሃዲሞም ኣብ ሱዳን ተዓቊቦም ዝርከቡ ልዕሊ 70,000 ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ነቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍፃሙ ኣብ ቀረባ ናብ ዓዶም ክምለሱ ተስፋ ክገብሩ ከለዉ ገለ ድማ እቲ ስምምዕ ሰላም ማዕረ ክንደይ ፀኒዑ ክቅፅል ይኸውን ዝብል ጥርጣረ ኣለዎም። ((ጥዐኅጥ)) ፮፩ ዓመት ዝዕድሚኦም ትግራዋይ ተስፋይ ገብረ ማሪያም ብሰንኪ ኣብ ኢትዮጵያ ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ኲናት ሕድሕድ ብዓልቲ እንደኦም ድሕሪ ምቅ፟ታለን ንኽልተ ደቂ ደቆም ሒዙም ሱዳን ናብ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት ዑም ራኹባ ኣትዮም ስጋብ ሎሚ ኣብኡ ይርከቡ። እንተኾነ ግን እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ፌደራል ኢትዮጵያን ሰብ ስልጣን ትግራይን ዝተፈፀመ ስምምዕ ሰላም ኣብ ቀረባ ናብ ዓዶም ዝምለስሉ ተስፈኦም ኣዕብዩዎ ይርከብ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%88%88%E1%88%B1-%E1%89%B0%E1%88%B5%E1%8D%8B-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A9\/6907669.html"} {"headline":"ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያ፤ ምድላው ንበዓል ልደት ተፈላልዮም ዝነበሩ ስድራቤት","content":"ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበረ ኲናትን ዝሰዓበ ምቍራጽ መራኸቢታትን፡ ኣብ ኣዲስ-ኣበባን መቐለን ተፈላልዮም ዝነበሩ ስድራቤታት ንህዝባዊ በዓላት ብግቡእ ከስተማቕሩዎ ዕድል ኣይጸንሖምን። ሕጂ ድሕሪ ምጅማር በረራ ናብ መቐለ ዝተመልሰ ኣቦ፡ ምስታ ዳግም ዝተኣኻኸበት ስድራ፡ በዓል ንምሕላፍ ከመይ ይዳለዉ ኣለዉ ዝምልከት ዝተዳለወ ጸብጻብ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%88%8D%E1%8B%B0%E1%89%B5-\/6907244.html"} {"headline":"ድምፃዊ “ገሬ ሃሎ” ብኸመይ ይዝከር?","content":"ገሬ ሃሎ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ውሩይ ድምፃዊ ገ\/እግዚኣብሄር ገ\/ፃዲቕ ኣብ 66 ዓመቱ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ምዕራፉ ኣብ እዋኑ ብዜናና ጠቒስና ኔርና። ድምፃዊ ገ\/እግዚኣብሄር ባህላውን ዘመናውን ደርፍታት ዝሓዛ ልዕሊ 10 ካሴታት ኣሐቲሙ እዩ። ብፍላይ ድማ “ሃሎ እናበልኩ ስርሐይ ረሲዐዮ” ብዝብል ዜማኡ ኣዝዩ ዝፍለጥ ገ\/ሄር ደርፍታቱ ናይ ባዕሎም ላዛ ዘለዎም ንህዝባዊ ዛዕባታት ዘልዕሉ እዮም ክብሉ መቕርባቱ ይገልጹ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8D%83%E1%8B%8A-%E1%8C%88%E1%88%AC-%E1%88%83%E1%88%8E-%E1%89%A5%E1%8A%B8%E1%88%98%E1%8B%AD-%E1%8B%AD%E1%8B%9D%E1%8A%A8%E1%88%AD-\/6907290.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ ኣብ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ዝህቦ ሓገዝ ምውሳኹ ይገልጽ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት፡ ንክልላት ትግራይን ዓፋርን ዝኸውን ዝረኽቦ ዘሎ ሓገዝ ይውስኽ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ካብ መፋርቕ ወርሒ ሕዳር ንድሓር ጥራይ ልዕሊ 3-ሺሕ መግቢን መድሃኒትን ከምኡ መጽለሊ ዝጸዓና መካይን ናብ ክልል ትግራይ ከምዝኣተዋ እቲ ቤት ጽሕፈት ሓቢሩ`ሎ። ካብ ጥቅምቲ ጀሚሩ፡ 60% እቲ 5.4 ሚልየን ህዝቢ ክልል ትግራይ ከምዝተሓገዘ'ውን ይጠቅስ። እንተኾነ ኣብተን ክልላት ዘሎ ጉድለት ዝተመጣጠነ መግቢ ብዘሰንብድ ኩነታት ከቢድ ምዃኑ ኣብዚ ቐረባ ዝወጸ ሪፖርት ሕቡራት ሃገራት የመልክት። ውዕል ሰላም ፈደራል መንግስቲ ምስ ሓይልታት ህወሓት ኣብ ዝተኸተመሉ እዋን`ውን ኣብ ገለ ከባብታት ክልል ትግራይ ረድኤት ንምብጻሕ ገና የጸግም ከም ዘሎ`ውን ጠቒሱ ኔሩ። ወሃቢ ቓል ኮሚሽን ምክልኻል ሓደጋን ስግኣትን ኢትዮጵያ ኣቶ ደበበ ዘውደ፡ ካልኦት ከባብታት ማለት ብትካላት ሕቡራት ሃገራት ክብጽሑ ዘይክኣሉ ከም ኣብ ዶብ ኤርትራ ዘለዉ ከባብታት ከይተርፈ ብምብጻሕ ንኣስታት 81 ሺሕ ጽጉማት ከም ዝሓገዙ ጠቒሱ`ሎ።ኣቶ ደበበ ኣተሓሒዙ ኣብ ክልላት ትግራይ: ኣምሓራን ዓፋርን ብድምር ልዕሊ 8-ሚልየን ሰባት ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዝረኸቡ ይሕብር። ድሕሪ ውዕል ሰላም፡ ኣብ ክልል ትግራይ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክምለሱ ምጅማሮም ክግለጽ ጸኒሑ`ሎ። እንተኾነ ኣብ ገለ ከባብታት ክልል ኦሮሚያ ግጭት ምህላዉ`ውን ይግለጽ`ዩ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%85%E1%89%A6-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%B9-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%BD\/6907315.html"} {"headline":"ነበርቲ ዞባ ጉጂ ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታ ናብ መንበሪኦም ክምለሱ ከምዘይከአሉ ሓቢሮም","content":"ኣሸሓት ነበርቲ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ጉጂ ብሰንኪ ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ናብ ቦትኦም ክምለሱ ከምዘይክኣሉ ገለ ካብኣቶም ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። እቲ ዝቐጸለ ግጭታት ንሰብኣዊ ቐረብ`ውን የተዓናቕፍ ከምዘሎ ናይ ሕቡራት ሃገራት ምውህሃድ ረድኤት(ኦቻ) ሓቢሩ`ሎ። ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብቲ ከባቢ ኣንጻር ዕጡቓት ስጉምታት ከወስድ ጸኒሑ`ሎ። ብኻልእ ወገን ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ተፈናቒሎም ዝነበሩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከባቢኦም ሰላሙ ስለዝተመሓየሸ መብዛሕቲኦም ናብ ቦትኦም ከም ዝተመልሱ፡ ሰበ-ስልጣን`ቲ ክልል ይሕብሩ። ዛጊት 449 ሺሕ ሰባት ናብ ገዝኦም ከምዝተመልሱ ዝሓበረ ዳይሬክተር ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ሓደጋን ስግኣትን ኣቶ ታረቀ ታሲሳ፡ እንተኾነ ልዕሊ 70 ሺሕ ዝኾኑ ስደተኛታት ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኣብቲ ናይ ቤንሻንጉል መዕቆቢ ስደተኛታት ተዓቑቦም ከምዘለዉ ኣፍሊጡ`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%8C%89%E1%8C%82--%E1%88%B5%E1%8C%8D%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-\/6907330.html"} {"headline":"ጥርጡር ኣሰጋጋሪ ሰባት ኪዳነ ዘካርያስ ተታሒዙ","content":"ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት፡ ንግዳያት ብዝፍጽሞ ግፍዒን ዘይሕጋዊ ምኽዕባት ገንዘብን ክደለ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያም ብፖሊስ ኔዘርላንድስ ክህደን ድሕሪ ምጽናሑ፡ 1 ጥሪ 2023 ኣብ ሱዳን ተታሒዙ። ምትሓዝ እዚ ኣብ መዝገብ ኣዝዮም ተሃደንቲ ውልቀ-ሰባት ዝጸንሐ ሰብ፡ ውሁድ ሓይሊ ኢንተርፖል ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ’ዩ ወግዓዊ ገይሩ። ብመሰረት መግለጺ ልፍታዊ ፖሊስ ኢንተርፖል፡ ብሓያሎ ክስታት ክደለ ዝጸንሐ ኪዳነ ዘካርያስ ብምትሕብባር ፖሊስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ጸጥታ ሱዳንን ፖሊስ ኔዘርላንድስን’ዩ ተታሒዙ። ብጸጥታ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ደቂቕ ክትትል ምጽናሑ ዝተሓበረ ጥርጡር፡ ኣብ መወዳእታ ምስ ሓዉ ብዝገብሮ ዝነበረ ምስግጋር ገንዘብን ርክባትን’ዩ ኣብ ሱዳን ምጽናሑ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ካብቲ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወሉ እዋን ኣትሒዙ፡ ጥርጡር ንፖሊስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከም ዝተረከበ ኣብቲ ናይ ሎሚ ጋዜጣዊ መግለጺ ተሓቢሩ። ኪዳነ ዘካርያስ ኣብ 2021፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብሓበሬታ ገለ ግዳያቱ ዝዀኑ ውልቀ-ሰባት ተታሒዙ ነይሩ’ዩ። እንተዀነ ኣብ እዋኑ ካብ ቀይዲ ፖሊስ ኣምሊጡ ከም ዝሃደመ ይዝከር። ነቲ ጉዳይ ብቐረባ እትከታተል ዝነበረትን ዘላን ኤርትራዊት ሽወደናዊት ሜሮን እስቲፋኖስ፡ ኣብ እዋኑ 10 ሚልዮን ብር፡ ንሓለዋ ፖሊስ ጉቦ ከፊሉ ክሃድም ከም ዝኸኣለ ትሕብር። ኮማንደር ፖሊስ ኢንተርፖል ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዝነበረ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝጠቐሶ፡ ቅድሚ ምህዳሙ፡ ኪዳነ ንሕልፈት ማእሰርቲ ተፈሪዱ ነይሩ። ብዛዕባ ፍርዲ እቶም ኣብ ምምላጡ ዝተሳተፉ ብጋዜጠኛታት ኣብ ዝተሓተትሉ፡ ፖሊስ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መስርሕ ከም ዘለዉ ገሊጹ። ኪዳነ ዘካርያስ ካብ ማእሰርቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምምላጡ፡ ብዙሓት ግዳያቱ ኣብ ኔዘርላንድስ ብዝመስረቱሉ ክሲ ብጸጥታ እታ ሃገር ክደለ ጸኒሑ’ዩ። ካብ ጥቅምቲ 2021 ኣብ መዝገብ ኣዝዮም ተደለይቲ ገበነኛታት ኔዘርላንድስ ዝጸንሐ ኪዳነ፡ ብዛዕባኡ ሓበሬታ ንዝሃበ ውልቀ-ሰብ ከም ዓስቢ 20-ሽሕ ዩሮ ክኸፍል ምዃኑ ኣብ ወግዓዊ መርበባቱ ኣስፊሩ ነይሩ። ከም ሓበሬታ ሜሮን እስቲፋኖስ፡ ኪዳነ፡ እቲ እንኮ ኣብ መዝገብ ተደለይቲ ኣሰጋገርቲ ዓለምለኸ መጋብኣያ ገበን ዘ-ሄግ ዝነበረ’ዩ። ውሁድ ሓይሊ ኢንተርፖል ሎሚ ኣብ ዝገበሩዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኪዳነ ብዝተፈላለያ ሃገራት ክድለ ስለ ዝጸንሐ፡ ጉዳዩ ብኣብያተ-ፍርዲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ብምስግጋር ገንዘብ፡ ፈለማ ክሲ ምስ ተመስረተሉ፡ ከምኡ’ውን ጉዳዩ ኣብ ኔዘርላንድስን ኢትዮጵያን’ውን ክምርመር ምዃኑ ሓቢሮም። ኣብ ምትሓዝ ኪዳነ ዘካርያስ መሪሕ ግደ ዝተጻወተ ፖሊስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣብ ናይ ሎሚ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሕጂ’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ስርሒት ከም ዘለዉ ብምጥቃስ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ’ውን ተመሳሳሊ መርበብ ኣሰጋገርቲ ክጠልፍ ምትእምማን ከም ዘለዎ ሓቢሩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%A5%E1%88%AD%E1%8C%A1%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%88%B0%E1%8C%8B%E1%8C%8B%E1%88%AA-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%AA%E1%8B%B3%E1%8A%90-%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%88%AD%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%92%E1%8B%99\/6905596.html"} {"headline":"ሰልፊ ሰላም","content":"ጽጉማትን ተመዛበልቲን ዝሕግዝ ትካል ኤልሻዳይ፡ ቅድሚ ቀረባ መዓልታት ኲንዮ ኲናት ዝሰብኽን ነቲ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ሰፊኑ ዘሎ ቅርሕንቲ ንምድቃስ ዝዕላማኡ ኣጋጣሚ ወዲቡ ነይሩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ካብ ኤርትራ ኣብቲ መዕቆቢ ስፍራ ዝርከቡ ስደተኛታትን ካብ በበይኑ ወገናት ክልል ትግራይ ተመዛቢሎም ዘለዉ ዜጋታትን ተረኺቦም ነይሮም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D\/6904114.html"} {"headline":"ሓገዛ ኣምቡላንሳት ንትግራይ፤ ተስፋ ኣብቲ ሰፊሕ ጠለብ","content":"ዓለምለኸ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ምስ ናይ ኢትዮጵያ ጨንፈር ብምትሕብባር 10 ኣምቡላንሳት ንኽልል ትግራይ ወፊዩ። ኣብቲ ሎሚ ኣብ መቐለ ዝተኻየደ ናይ ምርኽኻብ ስነ-ስርዓት ዝተረኽቡ ዝምልከቶም ሰበ-ስልጣናት፡ እቶም ኣምቡላንሳት ነቲ ኣዝዩ ተሃስዩ ዘሎ ጽላት ጥዕና ኣብ ምቅላል ተስፋ ከም ዘለዎን ገሊጾም። ነቲ ዘሎ መጠን ጋግ ዝበቅዕ ተወሳኺ ኣምቡላሳት ክልኣኻ’ውን ተላብዮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9B-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A1%E1%88%8B%E1%8A%95%E1%88%B3%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-\/6904097.html"} {"headline":"መድሕን ህይወት ኢትዮጵያ ብዂናት ንዝወረደ ክሳራ ካሕሳ ከም ዘይከፍል ኣፍሊጡ","content":"ብዂናት ንዘጋጠመ ጉድኣት ካሕሳ ከምዘይህብ ዋና ፈፃሚ ስራሕ መድሕን ህይወት ኢትዮጵያ ኣቶ ነፃነት ለሜሳ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊጾም። እቶም በዓል መዚ ወሲኾም ትካሎም ካሕሳ ዝኸፍል ምስ ኲናት ንዘይተኣሳሰሩ ሓደጋታት ጥራይ ምዃኑ ገሊጾም። ናይቲ ትካል ውዕል ድሕነት ንዂናት ከም ዘየጠቓልል’ውን ሓቢሮም። ኣቶ ነፃነት ብሰንኪ’ቲ ዝነበረ ኲናት ኣብ ክልል ትግራይን ካልኦት በቲ ኲናት ዝተፀልዉ ከባቢታትን መጠን ዝወረደ ክሳራታት ንምግማት ከም ዘጸግምክልል ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም። እንተዀነ፡ ትካል መድሕን ህይወት ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታትን ካብ ኲናት ወጻኢ ንዘጋጠመ ሓደጋታት ካሕሳ ክህቡ ምዃኖምን ተገልገልቲ ድማ ጥርዓናቶም ከቕርቡ ከም ዝኽእሉን ሓቢሮም። ኣብ ክልል ትግራይ ነቲ ኣብ መቐለ ዘሎ ዋና ቤት ፅሕፈት ጨንፈር፡ ሸውዓተ ጨንፈራት ትካል መድሕን ህይወት ኢትዮጵያ ከምዘለዉ ዘመልከቱ ኣቶ ነፃነት፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ኩሎም ስራሕ ኣቋሪፆም ብምንባሮም ትካሎም በዞም ጨንፈራት ኣቢሉ ንዓማዊል ይህቦ ካብ ዝነበረ ኣገልግሎት፣ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ኣስታት 200 ሚሊዮን ቅርሺ ኣታዊ ከም ዝሰኣነ ሓቢሮም። ሕዚ ግን ነቲ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ፡ ትካሎም ኣብ ክልል ትግራይ ዳግም ኣገልግሎት መድሕን ህይወት ንምጅማር ኣብ ቀፃሊ ሰሙን ሓደ ጉጅለ ሰብ ሞያ ናብቲ ክልል ከም ዝልእኽ ኣመልኪቶም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%8A%95-%E1%88%85%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8B%82%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B0-%E1%8A%AD%E1%88%B3%E1%88%AB-\/6904087.html"} {"headline":"ተመዛበልቲ መኾኒ መሰረታዊ ሓገዝ ኣይረኸብናን ይብሉ","content":"ዳግም ብዝተወልዐ ኲናት ኣብ መኾኒ ተዓቚቦም ዝርከቡ ውሽጣውያን ተመዛበልቲ፡ እቲ ካልኦት ተመዛበልቲ ዝረኸቡዎ መሰረታዊ ቀረባት’ውን ከም ዝተሓረሞም ይገልጹ። ገለ ካብቶም ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ተመዛበልቲ፡ በቲ ሓዲሩዎ ዝነበረ ተስፋታት ሰላም ምሉእ ኣይኰነን ይብሉ። ኣመራርሓ ሓደጋ እቲ ክልል ብወገኑ፡ ሓገዝ ካብ ምሕታት ከም ዘይዓረፉ የብርሁ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%8A%BE%E1%8A%92-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%A8%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%8A%B8%E1%89%A5%E1%8A%93%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%89\/6902404.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝተፈላለየ ጸገማት ስራሕ ኣቋሪጾም ዝነበሩ ኢንዳስትሪታት ስራሕ ምጅማሮም ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ጸገማት ስራሕ ኣቛሪጾም ዝነበሩ ፋብሪካታት ስራሕ ምጅማሮም ሚንስተር ኢንዳስትሪ ኣቶ መላኩ ኣልበል ገሊጾም።\\n\\nወነንቲ ፋብሪካታት ግና፣ ገና ዘይተፈትሑ ዝተፈላለዩ ጸገማት ሎሚ’ውን ኣለና ይብሉ።\\n\\nኣብ ድሬዳዋ ኣብ ዝተካየደ መድረኽ ልዝብ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ዘቅረቡ ኣማኻሪ ሚንስተር ኢንዱስትሪ ኣቶ ኣስፋው ኣበበ \"6.8 ብጽሒት ሃገራዊ እቶት ዝሓዘ ዓውዲ ኢንዱስትሪ፣ ኣብ’ዘን ዝቅጽላ ዓሰርተ ዓመታት፣ ብሰለስተ ዕጽፊ ንምዕባይ ይስራሕ ኣሎ\"ኢሎም።\\n\\nብደረጃ ሃገር 440 ኢንዱስሪታት ስራሕ ኣቛሪጾም ከምዝነበሩ፣ ካብ ሞንጎኦም እቶም 189 ናብ ስርሖም ምምላሶም ኣቶ መላኩ ወሲኾም ገሊጾም።\\n\\nብሕጽረት ሸርፊ ወጻኢን ብሰንኪ ዓለምለኸ ተጽዕኖን ንዝላዓሉ ጸገማት ንምፍታሕ ከምዘይተኻኣለ ሰበ ስልጣን ሚንስትሪ ኢንዱስትሪ ሓቢሮም ኣለው። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8A%A3%E1%89%8B%E1%88%AA%E1%8C%BE%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A9-%E1%8A%A2%E1%8A%95%E1%8B%B3%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA%E1%89%B3%E1%89%B5-\/6902563.html"} {"headline":"ኣብ መቐለ ኣገልግሎት ባንክ ጀሚሩ","content":"ድሕሪ ዓመትን ሸውዓተ ኣዋርሕን፡ ንፈለማ እዋኑ ኣብ መቐለ፡ “ወጋገን” ዝብሃል ናይ ውልቂ ኣገልግሎት ባንክ ሎሚ ሰኑይ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ባንክ ኣብ ፈለማኡ ንተገልገልቲ፡ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 1500 ብር ምውጻእ የፍቅድ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%89%A3%E1%8A%95%E1%8A%AD-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9-\/6901346.html"} {"headline":"ተስፋታት መቐለ ድሕሪ ምጅማር ውሱን ኣገልግሎታት","content":"ንልዕሊ ዓመትን መንፈቕን ንመቐለ ሓዊሱ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ከተማታት ክልል ትግራይ ኣቋሪጹ ዝጸንሐ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ሕጂ ብውሱን መልክዑ ናብ ንቡር ይምለስ ኣሎ። ገለ ካብቲ ዳግም ዝተኸፍተ ኣገልግሎታት ስልኪን ውሱን ኣገልግሎት ኢንተርነትን ይርከቦ። እዞም ተጀሚሮም ዘለዉ ኣገልግሎታትን ግብረ-መልሲ ነባሮን ዝተዳለወ ጸብጻብ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%89%A3%E1%8A%95%E1%8A%AD-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9-\/6901308.html"} {"headline":"“ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ይስሕብ ኣሎ” ሮይተርስ","content":"ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዓበይቲ ከተማታት ኣኽሱምን ሽረን ከም ዝሰሓቡ፡ ንሰለስተ መሰኻኽር ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ። ከም ሓበሬታ እቶም መሰኻኽር፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ 48 ሰዓታት ብዓበይቲ መካይን፡ ንብረቶም ጠርፍኒፎም’ዮም ካብቲ ቦታ ንኤርትራ ገጾም ክግዕዙ ተራእዮም። ካብተን ዓበይቲ ከተማታት ድሕሪ ምስሓቦም ዓሪዶምሉ ዘለዉ ስፍራታት ንምርግጋጽ ከም ዘይከኣለ ሮይተርስ ኣመልኪቱ ኣሎ። እቶም ሰራዊት ጠቕሊሎም ካብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ምውጻኦምን ዘይምውጻኦምን’ውን እቲ ኣገልግሎት ዜና ጭቡጥ ሓበሬታ ከም ዘይብሉ ጠቒሱ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ብሮይተርስ ተሓቲቱ ብዛዕባ ምስሓብ እቶም ሰራዊት ኣርጢቡ ክዛረብ ወይ ድማ ኣሉታዊ ምላሽ ክህብ ከም ዘይከኣለ እቲ ዜና ይጠቅስ። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኰነ ወሃብ-ቃል ህወሓት ግብረ-መልሲ ንምስማዕ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰለጦን። ምስሓብ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ነዊሕ ከዛርብ ምጽናሑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እዚ ሓድሽ ምዕባለ፡ ምስቲ ኣብ ትግራይ፡ ኣብዚ ሳልስቲ ዝርአ ዘሎ ፍጡን ገስጋስ ተኣሳሲሩ ዝመጽእ ዘሎ’ዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%89%A0%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%AD%E1%88%B5%E1%88%95%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%88%AE%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%88%B5\/6897685.html"} {"headline":"ኮሚሽን ሰ\/ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ዘጋጠመ ግጭት ዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ","content":"ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ባንዴራን መዝሙርን ክልል ኦሮሚያ ምስ ምስቃልን ምዝማርን ተኣሳሲሩ ብዝተላዕለ ግጭት ኣብ ልዕሊ ተማሃሮን ንብረትን ጉድኣት ምውራዱ ዝጠቐሰ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ናይ ሓደ ክልል ባንዴራ ኣብ ካልእ ክልል ወይ ናይ ከተማ ምምሕዳር ኣብ መንግስታዊ ኾነ ናይ ውልቂ ትካላት ክስቀል ኣለዎ ዝብል ሕጊ የለን ክብል ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ኣብ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ብኣፋን ኦሮሞ ትምህርቲ ኣብ ዝወሃበለን ቀዳማይን ካልኣይን ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ክልል ኦሮሚያ ባንዴራ ንምስቃልን መዝሙር ንምዝማርን ኣብ መንጎ ነዚ ዝቃወሙን ዝድግፉን ተማሃሮ ብዘጋጠመ ምስሕሓብ ግጭት ተላዒሉ፣ኣብ ልዕሊ ተማሃሮ ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት፣ኣብ ልዕሊ ንብረት ድማ ዕንወት ወሪዱ፣ምምሃር ምስትምሃር ተሰናኺሉ ይብል።ተማሃሮን፣መምህራንን ሓለፍትን ናይ ዝተወሰና ኣብያተ ትምህርቲ ብፖሊስ ተኣሲሮም ከምዝነበሩ እውን ይገልፅ። እቲ ኮሚሽን ብተወሳኺ ምክልባትን ጃምላዊ ማእሰርትን ቆልዑ ተቐባልነት ዘይብሉ ብምዃኑ ንቕድሚት ክድገም የብሉ ይብል።ንዝምልከቶም ወገናት ብምዝርራብ ነቲ ጉዳይ ከምዘፃረየ ዝሓበረ እቲ ኮሚሽን ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ብኣፋን ኦሮሞ ዝምሃሩ ተማሃሮ ባንዴራ ናይ ምስቃልን መዝሙር ክልል ኦሮሚያ ንምዝማርን መሰል ኣለዎም ብዝብል ኣብ ውሽጢ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ጎኒ ባንዴራ ፌደራል ናይቲ ክልል ክስቀልን ነቲ መዝሙር ድማ ኩሎም ተማሃሮ ክዝምሩ ስለዝተገበረን ብዝተለዓለ ምስሕሓብ እቲ ግጭት ከምዘጋጠመ ሓቢሩ። ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ንባዕሉ ናይ ምምሕዳር ምሉእ ስልጣን ከምዘለዎን ተፀዋዕነቱ ድማ ንፌደራል መንግስቲ ምዃኑን ንዓንቀፅ ሕገ መንግስቲ ብምጥቓስ ዝገለፀ እቲ ኮሚሽን ኣዲስ ኣበባ ኣብ ውሽጢ ክልል ኦሮሚያ ስለዝርከብ ኣጠቓቕማ ሃብቲ ተፈጥሮን ንክልቲኦም ዘተኣሳስሩ ጉዳያትን ብዝምልከት እቲ ሕገ መንግስቲ ፍሉይ ረብሓ ክልል ኦሮሚያ ዝሕሉ ምዃኑን እንተገለፀ እውን ዝርዝሩ ክሳብ ሎሚ ግን ብቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣይወፀን ኢሉ።ናይ ሓደ ክልል ባንዴራ ኣብ ካልእ ክልል ወይ ናይ ከተማ ምምሕዳር ኣብ መንግስታዊ ኾነ ናይ ውልቂ ትካላት ክስቀል ኣለዎ ዝብል ሕጊ የለን እውን ኢሉ። ተመሳሳሊ ምስሕሓብ ከይፍጠር ዝምልከቶም አካላት ብግልፂ ክዝትይሉን ብሕጋዊ ኣገባብ ክፍፀን እቲ ኮሚሽን ኣተሓሳሲቡ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AB%E1%89%B0-%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3\/6897915.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ አብ መገዲ ሰላም፤ ዘተ ቴለቪዥን","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ጽፉው ምዕባለታት ሰላም ኣብ ግምት ብምእታውን ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ በበይኑ ኵርናዓት ምይይጥ ሓሳባት ንምእንጋድን፡ ድምጺ ኣመሪካ ኣገልግሎት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብ3 ታሕሳስ 2022 ኣብ ስቱድዮ ዝተቐርጸ ናይ ቴለቪዥን ዘተ ኣካዪዱ ነይሩ። እዚ“ኢትዮጵያ ኣብ መገዲ ሰላም” ዝብል ኣርእስቲ ዝተኻየደ ዘተ ነተን ኣብቲ ኣገልግሎት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝፍነዋ ቀንዲ ቋንቋታት፡ ኣምሓርኛ፡ ኣፋን ኦሮሞን ትግርኛን ዘማእከለ ኰይኑ፡ ካብ ተዛረብቲ ተወከልቲን እዞም ሰለስተ ወገናት’ውን’ዩ ከም ተዛተይቲ ኣቕሪቡ። እዚ ዘተ ካብ በበይኑ ክፋላት ኢትዮጵያ ኣመሪካን ርእይቶታት ህዝቢ ኣጠቓሊሉ ኣሎ። ኣብቲ ኣብ ስቱድዮ ፈነወ ድምጺ ኣመሪካ፡ዋሺንግተን ዲሲ ብ3 ታሕሳስ ዝተቐርጸ መደብ፡ ኣስታት 20 ዝበጽሑ ዕዱማት ኣጋይሽ፡ ካብ ርሑቕ ብመገዲ ስካይፕ ነቲ ዘተ ዝተጸንበሩ ክኢላታትን ተንትንቲን፡ ከምኡ ድማ ኣብ ስቱድዮ ዝተርኸቡ ሰለስተ ተዛተይቲ ካብ ብሄራት ኣምሓራ፡ ትግርኛን ኣፋን ኦሮሞን ነይሮም። ተሳተፍቲን ተዛተይቲን ብብወገኖም ቅድሚ ሕጂ ኣሉታዊ ተራ ይጻወት ነይሩ ዝብሉዎን ኢትዮጵያ ካብዚ ዘላቶ ስእነት ሰላም ክትወጽኣሉ እትኽእል ዝበሉዎን በበይኑ ሓሳባት ኣፍሲሶም። ተዛትይቲ ኣቶ ሄኖክ ኣበበ በዓል ሞያሕጊን ደራሲን ተሓላቒ መሰላትን፣ ተሓላቒት መሰላት ደቀንስትዮን ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ትግራይ ኣብ ሓያሎ መድረኻት መሪሕ ተራ ሒዛ ክትዋሳእ ዝጸንሐት ወ\/ሪት መኣዛ ግደይን ፣ ከምኡ’ውን መምህር ታሪኽ ኣብ ጄምስ ማዲሰን ዩኒቨርሲቲ ተሓ\/ፕሮፌሰር ኢታና ሃብተ’ዮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A0%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%89%B4%E1%88%88%E1%89%AA%E1%8B%A5%E1%8A%95\/6896653.html"} {"headline":"ጸብጻብ፤ ዑደት ተዓዛቢት ጕጅለ ውዕል ሰላም ኢትዮጵያ","content":"ንውዕል ሰላም ክልል ትግራይ ዝሸምገለ ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት መሻርኽትን ዝሓዘት ዓባይ ጉጅለ ሎሚ መቐለ ኣትያ። እዛ ብፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘተ-ሰላም ኢትዮጵያ ኦሊሰገን ኦባሳንጆ ተመሪሓ ዘላ ጉጅለ ኣምባሳድራት ልዕሊ 32 ሃገራት’ውን ሓቚፋ ኣላ። እዛ ተዓዛቢት ጉጅለ ንኸይዲ’ቲ ኣብ መንጎ ክልተ ወገናት ዝተረፈመ ስምምዕን ትግባረኡ ምክትታልን ኩነታት ንምዕዛብ መቐለ ምእታዋ ተሓቢሩ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%B8%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%89%A5-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%9B%E1%89%A2%E1%89%B5-%E1%8C%95%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%8B%8D%E1%8B%95%E1%88%8D-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/6896636.html"} {"headline":"ንውዕል ሰላም ዝሸምገለ ጉጅለ ሕ\/ኣፍሪቃን ካልኦት መሻርኽትን ዝሓዘት ጉጅለ መቐለ ኣትያ","content":"ንውዕል ሰላም ክልል ትግራይ ዝሸምገለ ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት መሻርኽትን ዝሓዘት ዓባይ ጉጅለ ሎሚ መቐለ ኣትያ። እዛ ብፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘተ-ሰላም ኢትዮጵያ ኦሊሰገን ኦባሳንጆ ዝምራሕ ጉጅለ ኣምባሳድራት ብዙሓት ሃገራት’ውን ሓቚፋ ኣላ። እዛ ተዓዛቢት ጉጅለ ንኸይዲ’ቲ ኣብ መንጎ ክልተ ወገናት ዝተረፈመ ስምምዕን ትግባረኡ ምክትታልን ኩነታት ንምዕዛብን ናብ መቐለ ምምርሓ ተፈሊጡ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%88%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A6%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%BB%E1%88%AD%E1%8A%BD%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%8B%98%E1%89%B5-%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%AB\/6896430.html"} {"headline":"ተሓለቕቲ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዳሕራዋይ ቅልጡፍ ምዕባለ ሰላም ክልል ትግራይ ይግምግሙ","content":"ኢትዮጵያዊ ተወላዲ ክልል ትግራይ ኣቶ ነጋሲ በየነ፡ ንነዉሕ ዝበለ እዋን ንምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ሰለማዊ ፍታሕ ግጭታትን ክምጉት ዝጸንሐ`ዩ። ኤርትራዊ ኣቶ ኣዳም ኪዳኑ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ዓመታት ዝሰርሐን፡ ኣብ ዝረኸቦ ኣጋጣሚ ብዛዕባ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሰብኽ ዝጸንሐን በዚ ዳሕራዋይ ናይ ሰላም ተስፋ ዝተሓጎሰን`ዩ። ድሕሪ ምብጻሕ ልኡኻት መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ከተማ መቐለ፡ ኣብ ምቕጻል ማሕበራዊ ኣገልግሎታት`ውን ቅልጡፍ ምዕባለ ኣብ ዝርኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ክልቲኦም ኣጋይሽ እቲ ዝሓለፈ ሓሊፉ እቶም መራሕቲ ግን ንቕድሚት`ምበር ንድሕሪት ከይጥምቱ ይምዕዱ። ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ዳግም ብጉርብትናን ብምሕዝነትን ናይ ምንባር ጸገም ከም ዘይብሉ ድማ ክልቲኦም ኣጋይሽ ይሰማምዑ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%88%E1%89%95%E1%89%B2-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8B%B3%E1%88%95%E1%88%AB%E1%8B%8B%E1%8B%AD-%E1%89%85%E1%88%8D%E1%8C%A1%E1%8D%8D-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%89%A3%E1%88%88-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D\/6895243.html"} {"headline":"ፈደራል ፖሊስ ሎሚ ሓሙስ መቐለ ኣትዩ","content":"ፈደራል ፖሊስ ሎሚ ሓሙስ መቐለ ኣትዩ። መንግስትን ህወሓትን ኣብ ፕሪቶርያ ዝኸተምዎ ስምምዕ መሰረት ጌሩ ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ሎሚ መቐለ ምእታዉ ዝወጸ መግለጺ ኣመልኪቱ'ሎ። ተልእኩኡ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡን ብፈደራል መንግስቲ ዝመሓደሩን መዓርፎ ነፈርቲ ከምኡ እውን ሓይሊ ኤለክትሪክ ቴሌኮምን ባንክን ካልኦት ኣገልግሎታት ዝህቡ ትካላት ምሕላው ምዃኑ ኮሚሽን ፈደራል ፖሊስ ኣመልኪቱ'ሎ። ቅድሚ ሎሚ እውን ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ክልል ትግራይ ኣትዮም ነቲ ሕብረተሰብ ናይ ምርግጋእን ንተፈናቐልቲ ናብ ቦትኦም ምምላስ ዘኽእል ናይ ጸጥታን ድሕነትን ምኽባር ስራሕን ክሰርሕ ምጽንሑ እውን ተሓቢሩ'ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%88%93%E1%88%99%E1%88%B5-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%A9\/6896382.html"} {"headline":"ግብረ-መልሲ ኣጋይሽን ተቐበልቲን ቀዳመይቲ በረራ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ መቐለ","content":"ንልዕሊ ዓመትን ሽዱሽተ ኣዋርሕን ተቛሪጹ ዝጸንሐ ንግዳዊ በረራ መቐለ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ረቡዕ ብዝኣተወት ቀዳመይቲ ነፋሪት ጀሚሩ ኣሎ። እዛ ቀደመይቲ በረራ 138 ተጓዓዝቲ ሒዛ’ያ ኣትያ ንገለ ካብቶም ኣጋይሽን ተቐበልቲን ኣዘራሪብና ኣለና። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%8C%8B%E1%8B%AD%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%89%90%E1%89%A0%E1%88%8D%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%89%80%E1%8B%B3%E1%88%98%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%88%AB-%E1%88%98%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%A8%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88\/6895253.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኦሮምያ ዘተ ሰላም ክካየድ ዝሓተቱ አባላት ፓርላማ ምስ ሰብ-መዚ ክልልን ፈደራልን ተዘራሪቦም","content":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘተ ሰላም ንክካየድ ዝሓተቱ ኣባላት ፓርላማ ኢትዮጵያ ምስ ሰበስልጣን ክልልን ፌደራልን ይዘራረቡ ኣለው። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘሎ ፀገም ፀጥታ መንግስቲ ብልዝብ ክፈትሖ ክሓቱ ዝፀንሑ ንኦሮሚያ ዝወከሉ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ትማሊ ሰሉስ 27 ታሕሳስ 2022 ምስ ኣካላት ፈፅምቲ ስራሕ ምዝርራቦም ተፈሊጡ።ኣብቲ ዝርርብ ዝተሳተፉ ኣቶ ቶላ ሃይሉ ንድምፂ ኣመሪካ ከምዝገለፁዎ ኣብቲ ናይ ትማሊ ዝርርብ ናይ ክልል ኦሮሚያ ፕሬዝዳንት ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ ሓዊሱ ካልኦት ሰበስልጣን ፌደራል መንግስቲ ተዓዲሞም ኣብቲ ክልል ዘሎ ቅልውላው ዝፍተሐሉ መገዲ ምዝርራቦም ሓቢሮም። ብኻልእ ወገን ንተመዛበልቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ዘብፅሑ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ወኪል ዝኾኑ ሕጂ እውን በቲ ግጭት ዝተመዛበሉ ህፁፅ ሓገዝ ከምዘድልዮም ተዛሪቦም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%89%B0%E1%89%B1-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%88%8B%E1%88%9B\/6895116.html"} {"headline":"ካቶሊካዊ ጳጳስ ኤርትራ ሰበኻ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም","content":"ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2022 ካብ ናይ ኣውሮጳ መገሻ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከለዉ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብሰበ-ስልጣን ኤርትራ \"ትድለዩ ኣለኹም\" ተባሂሎም ዝተወስዱን፡ ዝነበርዎ ቦታ`ውን ብንጹር ከይተፈልጠ ዝጸንሐን ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ፡ ሎሚ ረቡዕ 28 ታሕሳስ 2022 ተፈቲሖም ናብ ቁምስንኦም ከም ዝተመልሱ፡ ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ምስኦም ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝተኣስሩ ቆመስ ሰገነይቲ ኣባ ምሕረተኣብ እስቲፋኖስ`ውን ምስኦም ከም ዝተፈትሑ ተሓቢሩ`ሎ። ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ ኣብ ኤርትራ ካብ ዘለዋ ኣርባዕተ ሰባኻታት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሓንቲ ንዝኾነት ሰበኻ ሰገነይቲ ዝመርሑ ክኾኑ ከለዉ፡ እቶም ካልኦት ሰለስተ ድማ፡ ሰበኻ ኣስመራ፡ ሰበኻ ከረን ፡ሰበኻ ባረንቱ ተባሂሎም ይጽውዑ። ብዛዕባ ኩነታት ማእሰርቲ ኮነ ምፍታሕ ኣቡነ ፍቕረማርያም ብሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ዝተወሃበ ሓበሬታ የለን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%B6%E1%88%8A%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%8C%B3%E1%8C%B3%E1%88%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%B0%E1%89%A0%E1%8A%BB-%E1%8A%95%E1%8A%A1%E1%88%B5-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%88%B0%E1%8C%88%E1%8A%90%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%89%B2%E1%88%96%E1%88%9D\/6894865.html"} {"headline":"ቀዳመይቲ በረራ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መቐለ ኣትያ","content":"ንልዕሊ ዓመትን ሽዱሽተ ኣዋርሕን ተቛሪጹ ዝጸንሐ ንግዳዊ በረራ መቐለ ኣዲስ-ኣበባ ሎሚ ረቡዕ ብዝኣተወት ቀዳመይቲ ነፋሪት ጀሚሩ ኣሎ። እዛ 138 ተጓዓዝቲ ሒዛ ሎሚ መቐለ ዝኣተወት ንብረት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነት ነፋሪት፡ መብዛሕትኦም ምስ ስድራቤት ተፈላልዮም ዝጸንሑ ኣጋይሽ ሒዛ ምምጻኣ ተፈሊጡ ኣሎ። ምጅማር እዛ በረራ፡ ምስ ምምላስ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብቲ ክልል ተኣሳሲሩ ዝመጽአን ከም ኣካል’ቲ ብኽልተ ወገናት ዝተረፈመ ስምምዕን’ዩ። ናብ መቐለ ስሩዕ በረራ ክትምጅር ምዃና ትማሊ ዝገለጸ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ትካል መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ መስፍን ጣሰው፡ መጠንን ብዝሒን ካብን ናብን መቐለ ዝህሉ በረራታት ምስ ብዝሒ ተገልግለቲ ዝውሰን ኰይኑ፡ ኣብ መጀመሪ ግን ንመዓልቲ ሓንቲ በረራ ተሰሪዑ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ ነይሩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80%E1%8B%B3%E1%88%98%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%88%AB-%E1%88%98%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%A8%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%AB-\/6894855.html"} {"headline":"ጸብጻብ፤ ዘተ ላዕለዎት ልኡኻት ምስ ህዝቢን ተወከልቲን ከተማ መቐለ","content":"ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕን ዳህሳስ ምክያድን ዝገብረ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣማስያኡ ንኣዲስ-ኣበባ ቅድሚ ምምላሱ፡ ንዳግም ምኽፋት መሰረታዊ ኣገልግሎታት ዝምልከት ምስ በበይኖም ወገናት ዝርርብ ኣካዪዱ ነይሩ። ብዛዕባ’ቲ ኣብ ቀረባ እዋናት ክጅምር ዝቀራረብ ዘሎ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ካልእ ኣብቲ ሓባራዊ ዝርርብ ዝተላዕሉ ጉዳያት ኣጣሚሩ ዝምልከት ዝተዳለወ ጸብጻብ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%B8%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%89%A5-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%89%B5-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BB%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%8A%A8%E1%88%8D%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88\/6893582.html"} {"headline":"መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ መቐለ ስሩዕ በረራ ክጅምር’ዩ","content":"ድሕሪ ናይ 18 ኣዋርሕ ምቍራጽ በረራታት፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ጽባሕ ረቡዕ ኣትሒዙ ናብ መቐለ ስሩዕ በረራ ክትጅምር ምዃና ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ኣቶ መስፍን ጣሰው ኣፍሊጡ። ብመሰረት ካብታ መገዲ ኣየር ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ብዝሒ ካብን ናብን መቐለ ዝህሉ በረራታት ከም ጠለብ ተጓዓዝቲ ዝኸይድ’ዩ። “ምምላስ ናይ ስሩዕ በረራ፡ ተፈላላዮም ዝነበሩ ስድራቤታት ከራኽብ፡ ንግዳዊ ንጥፈታት ከሳልጥ፡ መሰረታዊ ቀረባት ከመላልስን ንበጻሕቲ መገዲ ክኸፍትን ተስፋ ኣለዎ፡” ክብል ኣቶ መስፍን ጣሰው ተዛሪቡ። እዚ ዜና ዝኸውን ዘሎ ብወሃቢ ቃል ጕባኤ ተወካሎ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ትማሊ መቐለ ድሕሪ ምብጻሑ’ዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ፡ ምስ ልኡኽ መንግስቲ ንመቐለ ተጓዒዙ ዝነበረ ኣማኻሪ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን ድሕሪ ምምላሶም ብመገዲ ትዊተር ከም ዝጸሓፉዎ፡ እቲ ጉጅለ ድሕሪ ናይ መቐለ ጕዕዞኡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ከም ዝተመያየጠ ኣፍሊጡ። ከም ሓበሬታ ኣምባሳድር ሬድዋን፡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ንምምላስ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ክልል ትግራይ ክቀላጠፍ መምርሒ ሂቦም ኣለዉ። ኣምባሳድር ሬድዋን፡ ወሲኾም፡ ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝተፈረመ ስምምዓት፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ከበድቲ ኣጽዋራት’ውን ክሳብ ሓሙስ ኣብ ዘሎ እዋን ናይ ምርኽኻብ ስነ-ስርዓት ክጻፈፍ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ምህላዉ ኣመልኪቶም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%A8%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%88%B5%E1%88%A9%E1%8B%95-%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%88%AB-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%8C%85%E1%88%9D%E1%88%AD-%E1%8B%AB\/6893221.html"} {"headline":"ላዕለዎት መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ መቐለ ኣትዮም","content":"ኲናት ክልል ትግራይ ካብ ዝጅምር ንፈለማ እዋን፡ ብወሃቢ ቃል ተዋካሎ ህዝቢ ኣቶ ታገሰ ጫፎ ዝምራሕ ላዕለዋይ ጕጅለ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቀትሪ መቐለ ኣትዩ። እቲ ጕጅለ ንኣማኻሪ ጸጥታ ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴንን ሚኒስተር ፍትሒ ጊደዎን ጢሞቲዎስ’ውን ዝሓቖፈ’ዩ።\\n\\n\\nዕላማ እታ ጕጅለ ልኡኽ፡ ድሕሪ ምኽታም ውዕል ሰላም ክልተ ወገናት፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ምዕባለታት ዳህሳስ ንምግባር ምዃኑ ቤት ጽሕፈት መራኸቢታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ይጠቅስ።\\n\\n\\nእቲ ላዕለዋይ ልኡኽ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ-ነጋ ድሕሪ ምእታዉ፡ ላዕለዎት መራሕቲ ክልል ትግራይ ተቐቢሎሞ ኣለዉ። ንምእታው እቲ ጕጅለ ኣመልኪቱ ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓን ወሃብ ቃልን ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ “ኣብ ጕዕዞ ሰላም ኢትዮጵያን ንምኽታም ኲናት ትግራይ ኣበርኽቶ ክግበር ተስፋ ዘለዎ ናይ ማይላት ጕዕዞ” ክብል ብትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ገሊጹዎ።\\n\\n\\nከም መግለጺ እቲ ልኡኽ፡ ኣብታ ንትግራይ ተጓዒዛ ዘላ ጕጅለ’ውን ኣባላት ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያ (National Dialogue Commission) ተሓቚፎም ኣለዉ። ቤት ጽሕፈት መራኸቢታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምእታው እታ ጕጅለ፡ “ስምምዕ ሰላም ብጽቡቕ ይግስግስ ከም ዘሎ ዘርኢ ኣብነት’ዩ፡” ክብል ገሊጹዎ።\\n\\n\\nብዘይካ’ዛ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተላኢኻ ዘላ ጕጅለ፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት’ውን ንትግባረ ስምምዕ ሰላም እትከታተል ተዓዛቢት ጕጅለ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ንመቐለ ክትኣቱ ትጽቢት ይግበር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-\/6891761.html"} {"headline":"ማሕበር ሙዚቀኛታት ኤርትራን ምድልዋቱ ንሓድሽ ብድሆ ሙዚቃን","content":"ኣገባብ ኣዘረጋግሓ፡ መስምዒታትን መፍረን ሙዚቃ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝነበሮ ኣገባብ ሕጂ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ናብ ኦንላይን እናሰገረሉ ኣብ ዝርከብ ግዜ፡ ማሕበር ኤርትራውያን ሙዚቀኛታት ነዚ ሓድሽ ብድሆ ብኸመይ ይገጥሞ ኣሎ? ነዚን ካልእ ብዛዕባ’ቲ ማሕበርን ኣመልኪቱ ንኣቦ-መንበር እቲ ማሕበርን ገዲም ድምጻዊን መሓመድ ዑስማን ኣዘራሪብናዮ ኣለና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%88%99%E1%8B%9A%E1%89%80%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%8D%E1%8B%8B%E1%89%B1-%E1%8A%95%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%89%A5%E1%8B%B5%E1%88%86-%E1%88%99%E1%8B%9A%E1%89%83%E1%8A%95-\/6888938.html"} {"headline":"ኣብ ጎንደር ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኩነታት እንተ ዘየተመሓዪሹ ንሃገሮም ክምለሱ ይሓቱ","content":"ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት እቶም ዘጋጥምዎም ዘለው ፀገማት ክፍትሑ ብዘይምኽኣሎም ናብ ሃገሮም ንክምለሱ ሕቶ ከምዘቕረቡ ንድምፂ ኣመሪካ ተዛሪቦም። ናብ ሃገሮም ንምምላስ ድሌት ዘለዎም ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ከምዝተመዝገቡ እውን ሓቢሮም። ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ንድምፂ ኣመሪካ ብኢሜይል ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ኣብ ኣለምዋጭ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ድሌት ከምዘርኣዩ ፈሊጠ ኣለኹ ይብል። ስእነት ጸጥታ’ውን ካልእ ሻቕሎት ፈጢሩ ዘሎ ምዃኑ እቶም ስደተኛታት ይዛረቡ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/eritrean-refugee-in-dabat\/6888929.html"} {"headline":"ተዓዛቢት ኮሚተ ናብ ክልል ትግራይ ንምልኣኽ ትዳሎ","content":"ንትግባረን ከይዲን ስምምዕ ናይሮቢ ንምግምጋም ናይ ክልተ መዓልታት ርክብ ዘካየዱ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ንምቛም እታ ተኻታታሊት ኮሚተ ኣጻፊፎም ከም ዝወድኡ ካብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ድሕሪ’ቲ ርክብ ትማሊ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃቡ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ፡ “ንኢትዮጵያ ናብ ርግኣትን ሰላምን ዝመርሕ ትስፉው ርክብ” ክብሉ ገሊጾም ነይሮም። ኣካል’ቲ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ምዃኑ ዝፈልጥ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ’ውን ኣብቲ ዘተ ዘለዎ ጽቡቕ ተስፋ ገሊጹ ኣሎ። ጸሓፊ ውድብ ኢጋድ ዶ\/ር ወርቅነህ ገበየሁ፡ “ምቛም ናይዛ ተቖጻጻሪት ኮሚተ ንትግባረ እቲ ስምምዕ ዘሎ ድልውነት ዘርኢ’ዩ፡” ክብሉ ገሊጾም። እታ ኮሚተ ካብ ክልተ ወገናት ዝቖሙ ኣባላት፡ ተወከልቲ ኢጋድን ኣፍሪቃዊ ሕብረትንን ክህሉዉዋ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ፡ እታ ተቖጻጻሪት ኮሚተ፡ ኣብ መንጎ’ቲ ካልእ ስራሓታ፡ ዕጡቓት ሰራዊት ህወሓት ብረቶም ዝፈትሑሉ መገዲ ምርግጋጽን ተወሳኺ ኣጽዋር ከም ዘይኣትዎ ምርግጋጽን ዝርከቦ’ዩ። ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብቲ ስምምዕ እኳ ብስም እንተ ዘይተጠቕሱ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ምህላዎም ዝተፈልጠ ሰራዊት ሚሊሻ ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ግፍዕታት ይግጽሙ ምህላዎም ይግለጽ፡ ይብል ። ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ትማሊ ሓሙስ ንኸይዲ ሰላም ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብኽልተ ወገናት ንዝተፈረመ ስምምዕ ዘለዎ ኣድናቖት ድሕሪ ምንኣድ፡ ኣብ ትግባረኡን ግን ናይ ቀረባ ምክትታል ኣካል ከም ዘድሊ ኣመልኪቱ። መግለጺ ሕብረት ኤውሮጳ ከም ዝሕብሮ፡ ብሕልፊ እኳ ሰሜን ኢትዮጵያ ብኸቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ይሳቐ ከም ምህላዉ መጠን፡ ቅልጡፍን ቀጻሊን ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድሊን ጠቒሱ። ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳ ከም ወትሩ ንምሕጋዝ ድሉው ምዃኑ ዝጠቐሰ መግለጺ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎት ክምለስን ዝትፈጸመ ገበናት ተሓታትነት ዝህልወሉ መገዲ ክረጋገጽን’ውን ኣዘኻኺሩ። እቲ መግለጺ ኣብ መወዳእታ፡ ንስምምዕ ኣልጀርስ ከምኡ’ውን ኣብ 2018 ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘለዎ ድጋፍ ድሕሪ ምጥቃስ፡ መሬታዊ ሓድነትን ልኡላውነትን ኢትዮጵያ ንምኽባር፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ቀልጢፉን ጠቕሊሉን ክወጽእ ጸዊዑ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%9B%E1%89%A2%E1%89%B5-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B0-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%BD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A3%E1%8A%BD-%E1%89%B5%E1%8B%B3%E1%88%8E-\/6889023.html"} {"headline":"ድምጻዊ ገ\/እግዚኣብሄር ገ\/ፃዲቕ ዓሪፉ","content":"ገሬ ሃሎ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ድምፃዊ ገ\/እግዚኣብሄር ገ\/ፃዲቕ ኣብ 66 ዓመቱ ትማሊ ሓሙስ ሃንደበት ከም ዝዓረፈ ቀረብቱ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ድምፃዊ ገ\/እግዚኣብሄር ባህላውን ዘመናውን ደርፍታት ዝሓዛ ልዕሊ 10 ካሴታት ዘሕተመ ኰይኑ፡ ብፍላይ ድማ “ሃሎ እናበልኩ ስራሐይ ረሲዐዮ” ብዝብል ዜምኡ ኣዝዩ ይፍለጥ። ኣብ ዓዲግራት ተወሊዱ ዳሕራይ ናብ ኣስመራ ብምኻድ ንሙዚቃ ብሞያ ከም ዝሓዞ ናይ ጥበብ ብጾቱ ዝዛረቡሉ ገ\/ሄር፡ ቅድሚ ሞቱ’ውን ሓደስቲ ስራሓት ኣብ ምድላው ምንባሩ መቕርቡ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ኣርቲስት ገ\/እግዚኣብሄር ካብ ኣስመራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስመፀ ናይ መወዳእታ ካሴቱ ዘሕተመ ኣብ 1992 ዓ.ም እዩ ነይሩ። እቲ ኣርቲስት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቦናኔ ኣብ ዝብሃል ክለብ ን14 ዓመታት ከምዝደረፈ ይፍለጥ። ኣቦ ክልተ ውሉዳት ገ\/እግዚኣብሄር፡ ስርዓት ቀብሩ ድማ ሎሚ ድሕሪ ሰዓት ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ቤተክርስቲያን ኣስኮ ገብርኤል ተፈፂሙ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8D%E1%88%A9%E1%8B%AD-%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%8D%8B%E1%8B%AD-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AD%E1%8A%9B-%E1%8C%88-%E1%8A%A5%E1%8C%8D%E1%8B%9A%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%88%84%E1%88%AD-%E1%8C%88-%E1%8D%83%E1%8B%B2%E1%89%95-%E1%8B%93%E1%88%AA%E1%8D%89\/6888935.html"} {"headline":"“ተዓዛቢ ጕጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ ንመቐለ ክኸይድ’ዩ” ኬንያታ","content":"ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጎ መሪሕነት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ውድብ ህወሓትን፡ ንኽልተ መዓልታት ዝተኻየደ ዕጹው ኣኼባ ሎሚ ተዛዚሙ። ድሕሪ’ቲ ርክብ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃቡ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ፡ ንትግባረ እቲ ስምምዕ እትከታተል ጕጅለ ኣብ ቀረባ መዓልታት ንመቐለ ክትከይድ ምዃና ሓቢሮም። እቲ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ወታሃደራውያን መራሕቲ ዝተኻየደ ርክብ “ትስፉዎን ንኢትዮጵያ ናብ መገዲ ሰላም ዝመርሕን’ዩ” ክብሉ ኬንያታ ተዛሪቦም። ወከልቲ ክልተ ወገናት ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣይተረኽቡን። ንዓኣቶም ወኪሎም ምህላዎም ዝሓበሩ ኬንያታ ግን፡ ኣብቲ ክልተ መዓልታት ዝወሰደ ርክብ፡ ንትግባረ ኣብቲ ስምምዕ ዝተኸተመ ነጥብታት ብዝርዝር ከም ዝተዛራረቡ ገሊጾም። ድሕሪ’ቲ ሓጺር መግለጺ ውሑድ ሕቶታት ጋዜጠኛታት ዝተቐበሉ ኬንያታ፡ ብዛዕባ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ’ውን ተሓቲቶም። ኬንያታ ኣብ ምላሾም፡ እቲ መልሲ ኣብቲ ዝተፈረመ ስምምዕ ብግቡእ ተጠቒሱ ከም ዘሎ ኣዘኻኺሮም። ኵላቶም ናይ ደገ ሓይልታት ካብ ክልል ትግራይ ክወጽኡ ምዃኖም ድማ ደጊሞም ጠቒሶም። “ሰብኣዊ ሓገዝ ከምቲ ዝደለን ኣብቲ ዝደለን ኣብ ትግራይ ይባጻሕ ስለ ዘየሎ እንታይ መልስኹም?” ኢሎም ዝተሓተቱ ኬንያታ ሓደ ካብቲ ንመቐለ ዝኸዱሉ ምኽንያት ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ትግባረኡ ንምርኣይ ምዃኑ ኣብሪሆም። ናብ መቐለ ዝኸዱሉ ዕለት ብንጹር ኣየቕርቡ እምበር፡ ኣብቲ ዳሕራይ ዝተሓተቱዎ ግን ኣብ ውሽጢ’ዚ ወርሒ’ዚ ምዃኑ ኬንያታ ኣመልኪቶም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%9B%E1%89%A2-%E1%8C%95%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%AD%E1%8A%B8%E1%8B%AD%E1%8B%B5-%E1%8B%A9-%E1%8A%AC%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%89%B3\/6887586.html"} {"headline":"ድሕሪ ነዊሕ ስቕታ ዝተመልሰ መስመር ቴለፎን፡ ንሓዘንን ሓጐስን ብማዕረ የቃልሕ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ፡ መስመር ቴለፎን ንኣስታት ዓመትን ፈረቓን ተበቲኹ ድሕሪ ምጽናሑ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ጀሚሩ ኣሎ። መስመር ቴለፎን ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ምስ ስድራቤቶም ክራኸቡ ዝጀመሩ፡ ድምጺ ስድራቤቶም ክሰምዑ ምጅማሮም ዘሕጕስ ደኣ ይዅን እምበር፡ እቲ ዝስዕብ ዘሎ መርድእ ስድራቤቶም ንምቍጽጻር ግን ኣይከኣሉን። ድሕሪ’ቲ ተነቃፊ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት፡ ኣብቲ ንዓመትን ፈረቓን ተቛሪጹ ዝጸንሐ ገለ ወገናት ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ስልኪ ኣብ ቀረባ ሰሙናት’ዩ ጀሚሩ። ምስ ስድራቤቶም ብስልኪ ክዛራረቡ ዕድል ዝረኸቡ ተወላዶ ትግራይ ዝተፈራረቐ ስምዒት ይነግሩ። “ምስ ስድራቤተይ ክዛራረብ ኣዝየ ሃሪፈ’የ ነይረ፡” ይብል ኣብ ኖርወይ ዝቕመጥ’ሞ ንድሕነት ስድራቤቱ መንነቱ ክንዕቅበሉ ዝሓተተ ሓደ ዜጋ። “ንስድራቤት ክትዛረብ ትደሊ። እቲ ቀንዲ ሻቕሎት ግን መን ብህይወት ኣሎ መን’ከ የለን ንምስማዕ ኣይተቐረብናን፡” ይብል። ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ብቐንዱ ከኣ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲን መሪሕነት ክልል ትግራይን ብዝተኻየደ ግጭት ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ወሲዱ’ዩ። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት’ውን ኣብቲ ውግእ ዝሞቱ ዜጋታት ልዕሊ ኣብ ኲናት ዩክሬን ዝሞቱ ከም ዝበዝሑ ተዛሪቡ። ሓያሎ ተጋሩ ደሃይ ስድራቤቶም ክገብሩ ዝኸኣሉ ሕጂ ድሕሪ፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ፈደራላዊ መንግስቲ ዘለዋ ከተማታት ኣገልግሎት ስልኪ ድሕሪ ምጅማሩ’ዩ። ኣብ ታሕሳስ 10፡ ኣቐድም ኣቢልና ዝጠቐስናዮ፡ ኣብ ኖርወይ ዝቕመጥ ትግራዋይ፡ ምስ ኣብ ዓድዋ ዝርከቡ ኣቦኡን ኣሕዋቱን ንፈለማ እዋን ድሕሪ ሰነ 2021 ምዝርራቡ ይነግር። እቲ መንነቱ ክዕቀብ ዝሓተተ ሰብ“ብህይወት ኣለዉ ድዮም የለዉን’ውን ኣፍልጦ ኣይነበረንን። ድምጾም ምስ ሰማዕኩ ስምዒተይ ምቍጽጻር ስኢነ። ምኽኣል ስለ ዝሰኣንኩ ነቲ ጻውዒት ኣቋሪጸዮ፡ ካልኣይ ግዜ ጸኒሐ ደዊለ፡” ይብል ። እቲ ናይ ስልኪ ጻውዒት’ውን ካልእ ኣሕዛኒ ዜና ኣስዒቡሉ’ዩ። ካብ ዓድዋ ውጽእ ኢሎም ዝርከቡ ሸውዓተ ኣባላት ስድራቤቱ፡ ሰራዊት ፈደራል ተሓባበርቶም ሰራዊት ኤርትራን ነቲ ከባቢ ድሕሪ ምቍጽጻሮም ከም ዝተቐትሉ መርድእ በጺሑዎ። ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ስሒቡ ዝነበረ ዳይረክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ንፈለማ እዋን ናብ ስድራቤቱ ድሕሪ ምድዋሉ፡ ብዛዕባ መድርእ ኣኮኡ ከም ዝሰምዐ ገሊጹ ኔሩ። ዶክተር ቴድሮስ ኣብ እዋኑ“ነደይ ደዊለ ተዛሪበያ፡ ብዕድመ ክንዳይ ዝኸውን ንእሽቶ ሓዋ፡ ብሰራዊት ኤርትራ ከም ዝተቐትለ ነጊራትኒ፡ ስምዒታ ኣዝዩ ተተንኪፉ ነይሩ፡” ኢሉ። ካልኦት ምስ ስድራቤቶም ብስልኪ ክዛራረቡ ዝኸኣሉ’ውን ዝተፈራረቐ ስምዒት’ዮም ዝነግሩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብር’ሞ ምስ ኣብ ሽረ ዝርከብ ኣቦኡ ድሕሪ ነዊሕ ዝተዘራረበ ዜጋ ድማ እቲ ጽውዒት ሓጐስን ሓዘንን ከም ዝፈጠረሉ ይነግር። ኣቦኡ ክልተ ካብ ቀረባ ኣዝማዱ ከም ዝሞቱ’ዩ ሓቢሩዎ። ሓደ ካብቶም ዝሞቱ ቤተ-ሰብ ብስእነት መድሃኒት ምንባሩ’ውን እቲ ሓሳባቱ ዘካፈሉ ይነግር። ስድራቤቶም ገና ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ዘለዎ ቦታታት ዝቕመጡ ዜጋታት ግን ናይ ስልኪ ዕድል ገና ኣይረኸቡን። ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ሰራሕተኛ መንግስቲ ዝዀነ ካልእ ትግራዋይ፡ በቲ ውዕል ሰላም ዝፈጠሮ ርግኣት ሕጕስ ምዃኑ ይነግር። ምስቶም ኣብ ከባቢ ዛለምበሳን ዝርከቡ ስድራቤቱ ክዛራረብ ዕድል ዘይምርካቡ ድማ ገና ኣብ ሻቕሎት ኣለኹ ይብል። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%8A%90%E1%8B%8A%E1%88%95-%E1%88%B5%E1%89%95%E1%89%B3-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B0-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AD-%E1%89%B4%E1%88%88%E1%8D%8E%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%93%E1%8B%98%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%88%93%E1%8C%90%E1%88%B5%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%9B%E1%8B%95%E1%88%A8-%E1%8B%A8%E1%89%93%E1%88%8D%E1%88%95\/6887438.html"} {"headline":"ቃለ መሕትት ምስ ኣባላት መርበብ ሰብ ሞያ ሕክምና ንትግራይ","content":"ኣብ ኣመሪካ ዝመደብሩ ‘መርበብ ሰብ ሞያ ሕክምና ንትግራይ’ ብኢንግሊዝኛ ኣፀዋውዓ Health Professionals Networking for Tigray ብህፅሮተ ቃል HPN4TIGRAY ኣብ ክልል ትግራይን ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ማእኸላት መዕቖቢ ስደተኛታትን ንዝርከቡ ተወላዶ ትግራይ ዝሕግዝ ማሕበር እዩ። ብዛዕባ እቲ ማሕበርን ስራሕቱን መብርሂ ክህባና ካብ መስራቲ እቲ ማሕበር ሓንቲ ዝኾነት ዶክተር ርሻን ደስታን ክኢላ ሳይኮቴራፒ ለምለም ዘለለውን ኣዘራሪብናየን ኣለና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%88%95%E1%89%B5%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%89%A0%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%9E%E1%8B%AB-%E1%88%95%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%8A%93-%E1%8A%95%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/6884451.html"} {"headline":"ትዕዝብቲ ኣብ መዳይ ጸጥታ ዋንጫ ዓለም 2022 ዝተሳተፈ ኤርትራዊ ጀማል መሓመድብርሃን","content":"ኤርትራዊ ጀማል መሓመድብርሃን፥ ኣብቲ ኣብ ቐጠር ንሓደ ወርሒ ዝተኻየደን ዝሓለፈ ሰንበት ዝተዛዘመን ዋንጫ ዓለም 2022 ከም ሓለዋ ጸጥታ ኮይኑ ዝሰርሐ እዩ። ኣብ 80ታትን መጀመርያ 90ታትን ኣብ ኤርትራ ብዘካይዶ ዝነበረ ውድድራት ብሽክለታ ዝፍለጥ ጀማል፥ብዛዕባ እቲ ዋንጫ ዓለም ትዕዝብቱ ከካፍለና እዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B5%E1%8B%95%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%8B%8B%E1%8A%95%E1%8C%AB-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-2022-\/6884497.html"} {"headline":"“ኣብ ኤርትራ ዝዕለሙ ዘለዉ ሶማላውያን ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ንዓዶም ክምለሱ’ዮም” ፕረ. ሓሰን ሼኽ መሓሙድ","content":"ንዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ኣመሪካ ምኽንያት ብምግባር ናብ ኣመሪካ ዝተጓዓዙ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓሙድ፡ ኣብቲ ምስ ነባሮ ሚኒያፖሊስ ኣብ ዝገበሩዎ ህዝባዊ ርክብ፡ ኣብ ኤርትራ ክዕለሙ ዝጸንሑ ወታሃደራት ሶማል ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ንዓዶም ከም ዝምለሱ ሓቢሮም። ኣብቲ ድሒሩ ናብ ህዝቢ ዝወጸ ቪድዮ እቶም ፕረዚደንት ከም ዝጠቐሱዎ፡ ምምላስ እቶም ወታሃደራት ኣብዚ ወርሒ’ዚ ዝጅምር ኰይኑ፡ እቶም ናይ መጨረሽታ ዙር ድማ ወርሒ ጥሪ ክምለሱ ምዃኖም ተዛሪቦም። ኣገልግሎት ፈነወ ቋንቋ ሶማል ድምጺ ኣመሪካ ከም ዝጠቕሶ፡ ንኤርትራ ንወታሃደራዊ ተዓሊም ዝተላእኩ ሶማላውያን ብዝሖም 5,167’ዩ። እዞም ንወታሃደራዊ ተዓሊም ንኤርትራ ፈለማ ኣብ 2019 ዝተላእኩ ወታሃደራት፡ ብዛዕባ ምምላሶም ነዊሕ ከዛርብ ምጽንሑ ይዝከር። ድሕሪ ስልጣን ፕረዚደንትነት ምሓዞም ክልተ እዋን ናብ ኤርትራ በጺሖም ምስቶም ተዓላሞ ዝተራኸቡ ፕረዚደንት ሓሰን፡ ነቶም ተዓሊም ዝወስዱን ሃለዋቶም ተኸዊሉን ዝነበረ ወታሃደራት ሶማል ንሃገሮም ክምለሱ ምዃኖም ፈለማ ቃል ኣትዮም ነይሮም። እቲ ኣብ እዋኑ ዝተባህለ መብጽዓ ግን ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ክስልጥ ኣይከኣለን ጸኒሑ። ኣብዚ ናይ ሚኒሶታ ርክቦም ግን እቶም ፕረዚደንት ሕጂ ምድንጓይ የሎን ኢሎም ኣለዉ-።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%8B%95%E1%88%88%E1%88%99-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%89-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8B%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8D%E1%88%BD%E1%8C%A2-%E1%88%B0%E1%88%99%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8B%93%E1%8B%B6%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%88%88%E1%88%B1-%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%88%93%E1%88%B0%E1%8A%95-%E1%88%BC%E1%8A%BD-%E1%88%98%E1%88%93%E1%88%99%E1%8B%B5\/6884068.html"} {"headline":"መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣታዊታቱ ናብ ቅድሚ ለበዳ ኮቪድ19 ዝነበረ ከምዝምለስ ይሕብር","content":"መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ሰባት ምግዕዓዝ፣ ክሳብ ሰነ ኣብ ዘሎ ጊዜ፣ ናብ’ቲ ቅድሚ ለበዳ ኮቪድ19 ይረኽቦ ናብ ዝነበረ ኣታዊ ክበጽሕ ይኽእል እዩ ዝብል ገምጋም ከምዘለዎ ሓቢሩ።\\n\\nኣካያዲ’ቲ መገዲ ኣየር ኣቶ መስፍን ጣሰው ቅድሚ ለበዳ ኮቪድ19 ብዝሒ ተሳፈርቱ 12.1 ሚልዮን ከምዝነበረ: ብመሰረት ውጥኑ ናብ 12.6 ሚልዮን ክብ ከምዝብል ይገልጹ ።\\n\\nመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ ዓለም ተነቢሩ ዝነበረ ክልከላታት ይላዓል ስለዘሎ፣ እቲ መገዲ ኣየር ተወሰኽቲ ሃገራት ይሽፍን ምስ ምህላውን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝነበረ ውግእ ዘሃድእ ውዕል ሰላም ምኽታሙ፣ ከም ኣገደስቲ እትዋታት ይጠቅስ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%A8%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A0%E1%89%B3%E1%8B%8A%E1%89%B3%E1%89%B1-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%89%95%E1%8B%B5%E1%88%9A-%E1%88%88%E1%89%A0%E1%8B%B3-%E1%8A%AE%E1%89%AA%E1%8B%B519-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%88%E1%88%B5-%E1%8B%AD%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%AD\/6884252.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ትግራይ ዝተወደበ ገበናት ይፍጸም ኣሎ ክብል ኣፍሊጡ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዘይኣተወለን ከተማታት ክልል ትግራይ፡ ዝተወደበ ገበናት ይፍጸም ከምዘሎ ቀጻሊ ሓበረታ ይመጻና ኣሎ ክብል ኣፍሊጡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝርዝራት ስምምዕ ሰላም ንረብሓ ኩሉ ክብል ብዕቱብ የተግብሮ`ሎ ዝበለ ቤት ጽሕፈት ኮምኒኬሽን ኢትዮጵያ፡ ገለ ገበነኛታት ግን ነዚ ናይ መሰጋገሪ እዋን መዝሚዞም ሕጊ ብምጥሓስ ንፋሉልነት ይጥቀምሉ ኣለዉ ኢሉ። ብፍላይ ኣብ ከተማ መቐለ ብዝዓጠቑ ፓትሮል ማለት ሓለዋ ከይተረፈ ተሰንዩ ገበናት ከምዝካየድ ዝገለጸ እቲ መግለጺ፡ ብድሕሪ መጋረጃ`ዚ ገበናት ዘለዉ ድማ ካብቲ ዝነበረ ግጭት ተረባሕቲ ዝነበሩ`ዮም ኢሉ። ኣስዒቡ ድማ እዞም ገበነኛታት ተሓተቲ ከምዝኾኑ ፈደራል መንግስቲ ከስምረሉ ይደሊ ይብል። ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ኣብ መወዳእታ መግለጺኡ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንድሕነት`ቶም ኣብቲ ዝተጠቕሰ ከባቢታት ክልል ትግራይ ዘለዉ ህዝቢ ንምሕላው፡ ኩሉ ኣድላይ ዘበለ ስጉምቲ ብምውሳድ ሓላፍነቱ ክፍጽም`ዩ ክብል ኣሰሚዑ`ሎ። ወሃቢ ቓል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ብወገኑ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ንሕና ክንሰርሓሉ ዘይክኣልና ይኹን ህዝብና ከመሓድሮ ዘይክኣለ ናይ ጸጥታ ስግኣት ካልእ ክገብሮ ኣይክእልን`ዩ፡ ካልእ `ውን ኣይክገብሮን`ዩ ዝብል ምላሽ ሂቡ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%8B%B0%E1%89%A0-%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8D%8D%E1%8C%B8%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6882624.html"} {"headline":"ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ብዓይኒ ተንታኒ ፖለቲካ ጁዴ ሙር","content":"ተንታኒ ፖለቲካ ጁዴ ሙር ኣብ ስልጣን ዘሎ ምምሕዳር ባይደን ነቲ ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ ዝሒሉ ዝነበረ ርክብ ምስ ኣፍሪቃ ከረሳስን ምጅማሩ ንረብሓ ኣመሪካ ኢሉ እዩ ይብል። \"ዋዕላታት ምድላው ሓድሽ ነገር ኣይኮነን ካብ በልካኒ፣ እዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝቀነየ ሓባራዊ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ኣብ ዓለም ዘለዋ ኣገዳስነት ዘጉለሀ ዋዕላ እዩ። ንድሕሪት ምልስ ኢልና፣ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ቅድሚ ኣዋርሕ፣ ንሓድሽ ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ኣመሪካን ኣፍሪቃን ወግዓዊ ዝገበርሉ ጊዜ ንዝክር ንኸውን። ካብ’ቲ ጊዜ’ቲ ጀሚሩ፣ ኣመሪካ ምስ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ማዕርነት ዝተመርኮሰ ጽምዶ ክህልዋ ድልየታ ከምዝኾነ እናርአየት መጺኣ እያ\" ይብል ተንታኒ ጁዴ ሙር። ኣብ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ‘ጋዜጠኛታትን ተቃወምቲን ይእሰሩ፣ ጥሕሰት መሰል ይፍጸም፣ መረጻታት ይስረቁ እዮም። ፈጸምቲ’ቶም ዝተጠቀሱ ናብ’ዚ ተዓዲሞም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። እቲ ክንፈልጦ ዘለና ግና፣ ኣመሪካ ምስ’ዞም መንግስታት’ዚኦም ርክባ እንተቋሪጻቶ፣ ንዓዓቶም ንምጽላው ዘለዋ ዕድል ትዓጽዎ ኣላ ማለት እዩ’ ይብል። \"ካልእ ክንዝክሮ ዘለና ድማ፣ ኣብ’ዚ ጊዜ’ዚ፣ ንዓለምለኸ ፖለቲካ ዝጸልዋ ሓይልታት፣ ኣመሪካን ኣውሮጳን ዘይምዃነን እዩ። ቱርኪ፣ ሩስያ፣ ሃገራት ወሽመጥን ቻይናን’ውን ኣለዋ\" ይብል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8B%E1%8B%95%E1%88%8B-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%93%E1%8B%AD%E1%8A%92-%E1%89%B0%E1%8A%95%E1%89%B3%E1%8A%92-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB-%E1%8C%81%E1%8B%B4-%E1%88%99%E1%88%AD\/6879861.html"} {"headline":"ቃለ መሕተት ምስ ወ\/ሮ ኣልማዝ ነጋሽ ኣብ ጉዳይ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ኣመሪካን","content":"ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ መራሕቲ ኣመሪካን ኣፍሪቃን፡ ዳስፖራ ኣፍሪቃውያንን ኣውፈርቲ ሃብቲን ተኻፊሎም ኔሮም:ዝተፈላለየ መደባት ኣካል’ቲ ዋዕላ ኔሩ። ብዛዕባ’ዚ ኽተካፍለና ኣብቲ ኣኼባ ንዝተኻፈለት መስራቲት ዳይሬክተርን ኣባል ቦርድን ኣፍሪካን ዳያስፖራ ኔትወርክ ኤርትራዊ ኣመሪካዊት ወ\/ሮ ኣልማዝ ነጋሽ ኣዘራሪብናያ ኣለና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%88%95%E1%89%B0%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%88-%E1%88%AE-%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%88%9B%E1%8B%9D-%E1%8A%90%E1%8C%8B%E1%88%BD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8B%8B%E1%8B%95%E1%88%8B-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8A%95\/6879600.html"} {"headline":"ትዕዝብቲ ጋዜጠኛ ካብ መቐለ ናብ ዓዲ-ግራት","content":"ድሕሪ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት፡ ኵነታት መነባብሮ፡ መጓዓዝያን ካልእ ምንቅስቓስን ንምርኣይ ጋዜጠኛ ድምጺ ኣመሪካ፡ ካብ መቐለ ተበጊሱ ናብ ዓዲ-ግራት ተጓዒዙ ኣሎ። ኣብ ዘዕረፎ ቦታታት ዝተዓዘቦ ኣብ ቀጻሊ መደባት ዘቕርቦ ክኸውን እንከሎ፡ ንሕጂ ግን ካብ መቐለ ናብ ዓዲ-ግራት መገዲ ከመይ ይመስልን ትዕዝብቱን ከኻፍለና'ዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B5%E1%8B%95%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%8B%B2-%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%89%B5\/6879607.html"} {"headline":"ኩነታት ጸጥታ ክልል ኦሮምያ የንቋልቁል ምህላው ኦቻ ሓቢሩ","content":"ብሰንኪ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ዘሎ ዘይምርግጋእ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዝተፈናቐሉን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ትሕተ-ቕርጽታት ከም ዝዓነዉን ቤት ጽሕፈት ምህውህሃድ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት(ኦቻ) ኣፍሊጡ። እቶም ተፈናቐልቲ ኣብ ውሽጢ ኦሮሚያ ጥራይ ዘይኮነስ ንመዓልታት ተጓዒዞም ኣብ ናብ ክልል ኣምሓራ ብምስጋር ተዓቑቦም ዘለዉ`ውን ብዙሓት ምዃኖም ኦቻ ገሊጹ`ሎ። ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ወርሒ ታሕሳስ 2022 ጥራሕ፡ ልዕሊ 10 ሺሕ ሰባት ምፍንቓሎም ሰበ-ስልጣን`ቲ ከባቢ ምሕባሮም ኦቻ ኣብቲ መግለጺኡ ጠቒሱ`ሎ። ብምኽንያት ብዝሒ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዑቕባ ዝሓቱ ተመዛበልቲ፡ ሰበ-ስልጣን`ቲ ኽልል ካብ ከባብታት ምብራቕ ጎጃምን ጎንደርን ሓሊፎም፡ ኣብ ጃራን ታርክሽን ዝብሃሉ ኣብ ኣብ ሰሜንን ደቡብን ወሎ ዝርከቡን መዕቆቢ ተመዛበልቲ`ውን ክኸፍትዎ ከም ዝተገደዱ እቲ ቤት፡ ጽሕፈት ምውህሃድ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ሓቢሩ`ሎ። ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ምዕራብ ኦሮሚያን ኣሶሳን ዝወስድ ጽርግያ ብምዕጻዉ ድማ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዝርከቡ ተፈናቐልቲ ንምሕጋዞም ኣጸጊሙ ከምዘሎ`ውን ኦቻ ወሲኹ ኣፍሊጡ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8B%A8%E1%8A%95%E1%89%8B%E1%88%8D%E1%89%81%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8A%A6%E1%89%BB-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6879426.html"} {"headline":"ግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃድኣሉ ኣብ ክልል ኦሮምያ ግጭት ይውስኽ'ሎ","content":"ግጭት ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃደኣሉ እዋን ካልእ ግጭት ድማ ክቀላቐል ምጅማሩ ንመንግስቲ ብድሆ ኮይኑዎ`ሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ሓደ እዋን ካብ መንጎ ዝቐልጠፈ ዝበሃል ቁጠባ`ታ ሃገር ንምብርባር ማዕቀብ ክልዓለሉ ንማሕበረሰብ ዓለም ንምእማን ኣብ ዝጽዕረሉ ዘሎ እዋን`ዩ። ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዋሺንግተን ኣብ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ተረኺቡ ነቲ ኣብ መንጎ መንግስቱን ተዋጋእቲ ትግራይን ዝተበጽሐ ውዕል ሰላም ኣብ ዘፋልጠሉ ዘሎ እዋን እቲ ዝሰፍሐ ክልል ኦሮሚያ ግን ዘይምርግጋእ እናተራእዮ ይኸይድ ኣሎ። ካብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝቢ ካልአይቲ ዝኾነት 120 ሚልየን ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ ሕጂ`ውን ምስ ቀቢላዊ ጉጅለታትን ዕጡቓት ደገፍቶምን ዝካየድ ግጭት ክተደቅስ ትቃለስ ኣላ። ገለ ጉጅለታት ተወላዶ ኦሮሞን ኣምሓራን ብምቅትታል ነንሕድሕዶም ይካሰሱ`ለዉ።ኣሶሼይትድ ፕረስ ብሰንኪ ሕጽረት መራኸብታትን ነበርቲ ከይዛረቡ ብምፍርሖምን ድማ፡ ኣብ ኦሮሚያ ብሰንኪ'ቲ ግጭት ዝሞቱ ቁጽሮም ንምፍላጥ ኣጸጋሚ` ኮይኑ`ሎ ይብል ። ሓደ ሽሙ ዘይጠቐሰ ምስክር ካብ `ኪራሙ` ዝተባህለ ወረዳ ንኣሶሼይትድ ፕረስ ክገልጽ ከሎ፡ ካብ ሕዳር 24 ጀሚሩ ካብ መንጎ ዝተቐትሉ ብውሕዱ 34 ሰባት፡ ኣብኡን ወዲ ሓውቡኡን ከምዝርከብዎም ገሊጹ። ቀተልቲ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ዘለዉ`ዮም ምኽንያቱ ናቶም ዝመስል ክዳን ዝተኸደኑ`ዮም ይብል። ንሱ ክገልጽ ከሎ፡ እቲ ግጭት ኣብ መንጎ ሓደ ሚልሻን ፍሉይ ሓይሊ ኦሮሚያን`ዩ ተጀሚሩ፡ እቶም ፍሉያት ሓይሊ ኦሮሚያ ነቲ ሚልሻ ቀቲሎሞ፡ ንሱ ድማ ኣባል ማሕበረሰብ ኣምሓራ`ዩ ኔሩ፡ ድሕሪኡ ንሰሙን ዝቐጸለ ቅትለት ተኻይዱ፡ ኣማኢት ድማ ገዝኦም ገዲፎም ሃዲሞም ይብል። ዱጋሳ ፈይሳ ዝተባህለ ካብ ብሄር ኦሮሞ ዝኾነ ካልእ ነባሪ ኪራሙ ግን ካልእ `ዩ ዝብል፡፡ ፋኖ ዝብሃሉ ዕጡቓት ኣምሓራ ንሰለማውያን ሰባት ኣጥቂዖም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ቀቢርና፡ ንፖሊስ ኣይብሉ ንሰራሕተኛ መንግስቲ ንዝረኸብዎ ይቐትሉ ኔሮም፡ ገዛውቲ ኣንዲዶምን ዘሚቶምን ይብል። ንሱ ወሲኹ ኦሮሞን ኣምሓራን ንዘመናት ብሓደ ዝነበሩ`ዮም፡ ከምዚ ግን ርኢና ኣይንፈልጥን ይብል። ምኽትል ኣመሓዳሪ ጊዳ ኣያና ዝተባህለት ወረዳ ዝኾነት ገታሁን ቶለራ ብወገኑ፡ ሲቪላት ይቕተሉ ኣለዉ፡ እቶም ፋኖ ዝብሃሉ ድማ ብኸቢድ ዝዓጠቑ`ዮም ብምባል ንዕኦም ይኸስስ። ሰበ-ስልጣን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ`ቲ ኣብ ኦሮሚያ ዝተፈጸመ ቕትለት ርእይቶ ክህቡ ኣይተረኽቡን፡ ብግልጺ`ውን ኣይተዛረብሉን። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ዝሓለፈ ሰሙን ክዛረብ ከሎ ዝርዝር ከይሃበ፡ “ጽንፋዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ጸላእቲ” ነዛ ሃገር ክህውኽዋ ይጽዕሩ ኣለዉ ኢሉ። ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ 10 ዞባታት ኦሮሚያ ኣማኢት ሰባት ብዘስካሕክሕ ኩነታት ተቐቲሎም ኢሉ። እቲ ቕትለት ድማ ኣብ ቀቢላን ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ዝተመስረተ ምንባሩ ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ነቲ ኩነታት ንምህድኡ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ጸዊዑ። ተቓወምቲ ፓርትታት`ውን ክዛረቡ ጀሚሮም ኣለዉ፡ ፈደራል መንግስቲ ነቲ ግጭት ጠጠው ከብሎ ኣለዎ እናበሉ ይጽውዑ`ለዉ። ፍሉጥ ፖለቲከኛ ኦሮሞ ጃዋር መሓመድ ብወገኑ ዝሓለፈ ወርሒ ፡ ኣብ ከባብታት ኪራሙ ፡ሆሮ ጉዱሩ፡ ኩዩ፡ ከምኡ`ውን ዋራ ጃርሶ፡ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ብውሕዱ 350 ተቐቲሎም ልዕሊ 400,000 ተፈናቒሎም ኢሉ ኔሩ። ቀልጢፉ ጠጠው እንተዘይሉ ድማ ናብ ካልኦት ከባብታት`ተን ክልተ ክልላታት`ውን ክልሕም ይኽእል`ዩ ክብል ኣጠንቂቑ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%83%E1%8B%B5%E1%8A%A3%E1%88%89-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8B%8D%E1%88%B5%E1%8A%BD-%E1%88%8E-\/6877955.html"} {"headline":"ድሕሪ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት፤ ዘፈር ጥዕና ክልል ትግራይ ሕጂ’ውን ሓገዝ የማዕዱ","content":"ድሕሪ ምኽታም ስምምዕ ፕሪቶሪያ፡ ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ መሰረታዊ መድሃኒታት ርኡይ ምምሕያሽ እኳ እንተ ገበረ፡ ብሕልፊ መድሃኒት ሕማም መንሽሮ ንዝወስዱ ተሓከምቲ ግን ዛጊት ዝመጽአ ለውጢ ከም ዘየለ ሰብ-መዚን ተገልግልቲን ይገልጹ። ኰይኑ ግን እዚ ሓድሽ ምጅማር ምእታው መድሃኒት፡ ንሕጽቦ ኰላሊት ንዝገብሩ ተሓከምቲ ተስፋ ሂቡ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%88%9D%E1%89%8D%E1%88%AB%E1%8C%BD-%E1%89%B0%E1%8C%BB%E1%89%A5%E1%8A%A6%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%8D%88%E1%88%AD-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%95%E1%8C%82-%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8B%A8%E1%88%9B%E1%8B%95%E1%8B%B1\/6878230.html"} {"headline":"“ሓወቦይ ብሰራዊት ኤርትራ ተቐቲሉ” ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም","content":"ዳይረክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ትማሊ ኣብ ጀነቫ፡ ንምዕባለታት ኮቪድ19 ይገልጸሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ሓወቦኡ ኣብ ክልል ትግራይ ብሰራዊት ኤርትራ ምቕታሉ ገሊጹ ክብል ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣስፊሩ። ዶክተር ቴድሮስ ወሲኹ፡ እቲ ተፈሪሙ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ዘላቕነት ክህሉዎ ዘለዎ ተስፋ ብምግላጽ፡ ምስቲ ብስሙ ዘይጠቐሶ ሓወቦኡ፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን 50 ዜጋታት ምቕታሎም ገሊጹ። እቲ ዳይረክተር ክህሉ ንዝኽእል ሳዕቤን ንምውጋድ ስምን ቦታን ናይቲ ቅትለት ካብ ምግላጽ ክቝጠብ ከም ዝመረጸ ዜና ሮይተርስ ይሕብር። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ግብረ-መልሲ ንምስማዕ ካብ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ወሃብ-ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ፡ ወሃብ ቃል ሚኒስተሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮለነል ጌትነት ኣዳነን ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተርን ዝገብሮ ፈተነ ከም ዘይሰለጦ ኣመልኪቱ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8B%88%E1%89%A6%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%B0%E1%89%90%E1%89%B2%E1%88%89-%E1%8B%B6%E1%8A%AD%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%89%B4%E1%8B%B5%E1%88%AE%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%B5%E1%88%93%E1%8A%96%E1%88%9D\/6877785.html"} {"headline":"ህዝቢ ምስ ህዝቢ -ቃለ ምልልስ ኣብ ኣብ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ","content":"42 መዓልታት ዘቑፀረ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተፈረመ ውዕል ሰላም ዝምልከት ምስ ክልተ ተንተንቲ ዝተኻየደ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ስምምዕ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣሎ፧ኣብ ክልል ትግራይ እንታይ ይፍፀም ኣሎ፧ምስ ምውፃእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይን ምፍታሕ ከበድቲ ኣፅዋር ሓይልታት ትግራይን ዘሎ ኩነታት እንታይ እዩ፧ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ እንታይ ክግበር ኣለዎ፧ ኣብ ዝብሉን ካልኦት ነጥብታት ዶክተር ፅጋቡ ኣስመላሽን ዶክተር ሓጎስ ኣብርሃ ኣዘራሪብናዮም ኣለና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2--%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%88%8D%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8D%95%E1%88%AA%E1%89%B6%E1%88%AD%E1%8B%AB\/6876501.html"} {"headline":"ኣብ ጅቡቲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጸገማቶም የካፍሉ","content":"ኣብ ጅቡቲ ኣሊ ኣዴህ ኣብ ዝበሃል መዓስከር ካብ 8 ክሳብ 14 ዓመት ከምዝተቐመጡ ዝዛረቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዋሕዲ መግቢን መሰረታዊ ቀረባትን ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቦም። እቶም ስደተኛታት ዝያዳ ዘሰከፎም ግን ናይ መጻኢ ኣንፈቶም’ውን’ዩ። ንገለ ካብቶም ስደተኛታት ገብረ-መልሲ ዝምልከቶም ኣካልን ብምጥቓልል ዝተዳለወ መደብ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%85%E1%89%A1%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%8C%88%E1%88%9B%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8B%A8%E1%8A%AB%E1%8D%8D%E1%88%89\/6876519.html"} {"headline":"ሚ\/ጉ\/ወጻኢ ኣንተኒ ብሊንከን ምስ ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ተራኺቡ ዘትዩ","content":"ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን፡ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ ሰሉስ ታሕሳስ13,2022 ኣብ ዋሺንግተን ተራኺቡ ዘትዩ። ድሕሪ`ቲ ዝርርብ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ኣብ ዘስፈሮ መልእኽቲ፡ ብዛዕባ ምትግባር ውዕል ሰላም ዛጊት ዘሎ ገስጋስን ብኹሎም ወገናት ምትግባሩ ኣብ ሕውየት ኢትዮጵያ ዝህልዎ ኣወንታዊ ውጽኢትን ምምይያጡ ጠቒሱ`ሎ። ኢትዮጵያ ሰላም ንምስፋን ኣብ ትገብሮ ጻዕሪ ኣመሪካ ንዝገበረቶ ኣበርክቶ ኣድናቖቱ ንምግላጽ “ሽርክነትና ንምሕያል ኣብ ዝከኣለሉ ጉዳያት ተመያይጥና ኣለና\" ኢሉ። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ምስ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣመሪካ ጀይክ ሱሊቫን`ውን ተራኺቡ`ሎ። እቲ ርክብ ኣብ ጎኒ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ኣመሪካን`ዩ። ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብሊንከንን ሚንስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሊዮድ ስቲንን ምስ መራሕቲ ኣፍሪቃ በብውልቂ ምርኻቦም ቀጺሎም ኣለዉ። ብዕድመ ፕረዚደንት ባይደን ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ድሕሪ ዕጽዋ ለበዳ ኮቪድ19 ኣብ ዋሺንግተን ዝካየድ ዘሎ ዝዓበየ ኣህጉራዊ ምትእኽኻብ`ዩ። ዋይት ሃውስ ኣብ መንጎ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ዘሎ ናይ ምትእምማን ክፍተት ንምጽባብ ዝዓለመ`ዩ ክብል ገሊጹ'ሎ። እቲ ትማሊ ሰሉስ ጀሚሩ ጽባሕ ሓሙስ ዝውድእ ዋዕላ ኣብ ከም ለበዳ ኮቪድ19: ለውጢ ክሊማ: ወራር ሩስያ ኣብ ዩክሬን ከምኡ ብዛዕባ ንግዲ ዝዝቲ ዘሎ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ`ሎ። ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብሊንከን ትማሊ ምስ መራሕቲ ጅቡቲ:ሶማል: ኒጀር ከምኡ`ውን ኣንጎላ ተራኺቡ ኔሩ`ዩ። ፕረዚደንት ባይደን ንሕብረት ኣፍሪቃ ኣባል`ተን ጉጅለ 20 ዝብሃላ ሃገራት ክትከውን ይደሊ ከምዘሎ ዋይት ሃዋስ ኣፍሊጡ`ሎ። ነቲ ጻዕሪ ዝመርሕ ድማ ንነባር ዲፕሎማት ጆኒ ካርሰን ከም ዝሾሞ ተጠቒሱ`ሎ። እቲ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ሎሚ ረቡዕ ኣብ መድረኽ ንግዲ ኣፍሪቃ ዘተኮረ መደባት ኣብ ምስልሳል ውዒሉ`ሎ፡ ድሕሪ ቀትሪ ድማ ፕረዚደንት ጆ ባይደን እቲ ዋና መደርኡ ከስምዕ`ዩ፡ ምሸት ድማ ንኽብሪ`ቶም መራሕቲ ናይ ድራር እንግዶት ተዳልዩ`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%8A%92-%E1%89%A5%E1%88%8A%E1%8A%95%E1%8A%A8%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A2%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A1-%E1%8B%98%E1%89%B5%E1%8B%A9\/6876144.html"} {"headline":"ንፈይስቡክ ዘመሓድር ትካል ሜታ ኣብ ግጭት ኢትዮጵያ ኲናት ሕድሕድ ብምጉሕሓር ተኸሲሱ","content":"ንፈይስቡክ ዘመሓድር ትካል ሜታ ኣብ ግጭት ኢትዮጵያ ኲናት ሕድሕድ ብምጉሕሓር ተኸሲሱ። እቲ ክሲ ኣብ ኬንያ ዝተመስረተ ክኸውን ከሎ ከሰስቲ ክልተ ኢትዮጵያውያን ተመራመርትን ሓደ ካቲባ ዝተባህለ ተሓላቒ መሰላት ትካል ኬንያ`ዮም። እቲ ተመስሪቱ ዘሎ ክሲ ኣብ ፈይስቡክ ጎነጻዊን ናይ ጽልኣትን ጽሑፋት ይጥቅዑ ኔሮም ይብል። ወሃቢ-ቃል ሜታ ኤሪክ ምክፓይክ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ተኹታኺን ኣለዓዓልን መልእኽትታት ኣንጻር መምርሕታት ፈይስቡክን ኢንስትግራምን`ዩ ኢሉ`ሎ። እቶም ከሰስቲ ኣንጻር`ቲ መልእኽትታት ፈይስቡክ ስጉምታት ክወስድን ንግዳያት ዝሕግዝ ናይ 2 ቢልየን ዶላር ፈንድ ክቐውምን ሓቲቶም ኣለዉ። በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ መንግስቲን ዕጡቓት ክልል ትግራይን ካብ 2020 ጀሚሩ ንክልተ ዓመት ዝተኻየደ ኩናት ኣሸሓት ሰባት ተቐቲሎምን ሚልዮናት ተፈናቒሎምን`ዮም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%8D%88%E1%8B%AD%E1%88%B5%E1%89%A1%E1%8A%AD-%E1%8B%98%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%AD-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%9C%E1%89%B3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%8B%B5-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8C%89%E1%88%95%E1%88%93%E1%88%AD-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%88%B2%E1%88%B1\/6876166.html"} {"headline":"ኤርትራን ኬንያን ሓባራዊ ስምምዕ መዝክር ፈሪመን","content":"ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ዓርቢ 9 ታሕሳስ 2022 ኣስመራ ዝኣተው ፕረዚደንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድሕሪ ድሕሪ ዘካየድዎ ምይይጥ ኣብ ክልተኣዊ፡ዞባውን ጉዳያት: ኣብ ንግድን ዞባዊ ምትሕግጋዝን ዘጠቓለለ ሓባራዊ ስምምዕ መዘክር ፈሪሞም። እቶም መራሕቲ ነቲ ዝተጀመረ ርክብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናን፡ምትሕብባር ኣብ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብቐጻሊ ርክባት ከማዕብልዎ’ውን ኣብ ምርድዳእ በጺሖም ኣለዉ። ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ድሕሪ’ቲ ሓባራዊ ስምምዕ መዘክር፡ኣብ ኤርትራ ዘካየድዎ ዑደት ዛዚሞም ቀዳም 10 ታሕሳስ ቅድሚ ቀትሪ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%AC%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%93%E1%89%A3%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8A%AD%E1%88%AD-%E1%8D%88%E1%88%AA%E1%88%98%E1%8A%95\/6873084.html"} {"headline":"ፖሊስ ዛምቢያ ሬሳ 27 ኢትዮጵያውያን ዝበሎም ረኺቡ","content":"ፖሊስ ሃገረ ዛምቢያ፡ ናይ ኢትዮጵያዊያን ምዃኖም ምልክት ረኺበሎም ዝበሎም ሬሳ 27 ዜጋታት ኣብ ሓደ ናይ ሕርሻ ቦታ ተደርብዩ ምርካቡ ኣፍሊጡ። ከም ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ እቶም ዜጋታት ብጥሜትን ካልእ ጎንጺን ሞይቶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይጥቀስ። ካብቶም ተደርብዮም ዝተረኽቡ ሓደ ዜጋ ብህይወት ስለ ዝጸንሐ ናብ ሆስፒታል ምምራሑ እቲ ዜና ወሲኹ ይሕብር። እቶም ዝተረፉ ግን ጠንቂ ሞቶም ንምፍላጥ ምርመራ ክግበረሎም ናብ ሕክምና ተወሲዶም ኣለዉ። ምዉታን ካብ 20 ክሳብ 38 ዝዕድመኦም ኰይኖም፡ ኵላቶም ደቂ-ተባዕትዮ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ። መን ናብቲ ዝተረኽቡሉ ቦታ ከም ዝደርበዮም ፖሊስ ምጽራይ ይገብር ከም ዘሎ ሮይተርስ ይሕብር። ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምስጋር ብዛምቢያ ኣቢሎም ከም ዝኸዱ ይፍለጥ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%8B%9B%E1%88%9D%E1%89%A2%E1%8B%AB-%E1%88%AC%E1%88%B3-27-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%88%A8%E1%8A%BA%E1%89%A1\/6872698.html"} {"headline":"ዮናታን ዱላ ብኣዒንቲ መቕርቡን ኣዕሩኽቱ ስነ-ጥበብን","content":"ብሕማም መንሽሮ ንኣዋርሕ ክሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ ቀዳም ኣብ ኣስመራ ዓሪፉ፡ ሰኑይ ስነ-ስርዓት ቀብሩ ዝተፈጸመ ድምጻዊ ዮናታን ታደሰ (ዱላ)፡ ኣብ ሓጺር ናይ ደርፊ ጻንሖቱ ተዘካሪ ስራሓት ዘፍረየ’ዩ። ንህይወት እቲ ኣብ ንኡስ ዕድመኡ ሞት ዝቐደሞ ድምጻዊ ኣመልኪቱ ዝተዳለወ መደብ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%AE%E1%8A%93%E1%89%B3%E1%8A%95-%E1%8B%B1%E1%88%8B-%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%92%E1%8A%95%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%89%95%E1%88%AD%E1%89%A1%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8B%95%E1%88%A9%E1%8A%BD%E1%89%B1-%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%8C%A5%E1%89%A0%E1%89%A5%E1%8A%95\/6869713.html"} {"headline":"ፕረዚደንት ኬንያ ኣስመራ ኣትዩ","content":"ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ሎሚ ዓርቢ 9 ታሕሳስ,2022 ኣስመራ ኣትዩ። ፕረዚደንት ሩቶ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ዝኣተወሉ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲን ተቐቢሎሞ። ድሕሪ ወግዓዊ ምቕባል መራሕቲ ክልቲኣን ሃገራት ናብ ቤተ መንግስቲ ኤርትራ ብምምራሕ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ዘተኰረ ዘተ ምክያዶም ተሓቢሩ። ዕላማ ፕረዚደንት ሩቶ ዝምድና ክልተ ሃገራት ንምሕያል ምዃኑ ወግዓዊ ምንጭታት ይሕብሩ። ሎሚ ምሸት ንኽብሪ ፕረዚደንት ሩቶ ዝተዳለወ ወግዓዊ ናይ ድራር እንግዶት ተዳልዩ ምህላዉ ተፈሊጡ'ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8A%AC%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%A9\/6869540.html"} {"headline":"ሚ\/ጉ\/ወጻኢ ብሪጣንያን ወኪል ዩኒሴፍ ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ክልል ዓፋር በጺሖም","content":"ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ብሪጣንያ ጄምስ ክለቨርልን ወኪል ዩኒሴፍ ኣብ ኢትዮጵያ ጊያኖፍራንኮ ሮቲግጅሊያኖንን ደርቂ ኣብ ልዕሊ ቆልዑን ስድራታትን ዘስዓቦ ተፅዕኖን ግብረ መልሲ ዩኒሴፍን ንምዕዛብ ኣብ ክልል ዓፋር በፂሖም። እቶም ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ብዩኬይኤድ ዝምወላ ዓበይቲ መካይን ኣብ መላእ እታ ሃገር ህፁፅ ረድኤት ንምብፃሕ ጠጠው ዝብላሉ ናይ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ቀፅሪ እውን ተዓዚቦም ኣለው።እዘን ናይ ፅዕነት መካይን ብፍሉይ ኣብ ክልል ዓፋር ንዝርከቡ ማሕበረሰባት ረድኤት ዘቕርባ እየን። ክልቲኦም ሰበስልጣን ጄሚስን ሮቲግጅሊያኖን ብተወሳኺ ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ዱብቲ ንዝርከብ ብዩኒሴፍ ዝሕገዝ ጉጅለ ተንቀሳቓሲ ጥዕናን መግብን ተዓዚቦም። ኣብ ክፋላት ደቡብን ሰሜን ምብራቕን ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ኣብ ኣርብዓ ዓመታት ተራእዩ ብዘይፈልጥ ዝኸፍእ ደርቂ ን12.6 ሚሊዮን ቆልዑ ዝርከቡዎም ብድምር ልዕሊ 24.1 ሚሊዮን ዝግመቱ ሰባት ጸልዩ ይርከብ። ከም ውፅኢት ኣብ ክልላት ትግራይ:ኣምሓራን ዓፋርን ዝነበረ ኲናትን ኣብ ክልላት ዓፋር: ኦሮሚያ ፣ ሶማልን ደቡብን ዘጋጠመ ደርቂን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቅፅል ዓመተ 2023 16.5 ሚሊዮን ቆልዑን 7.8 ሚሊዮን ደቂ ኣንስትዮ ዝርከቡዎም 31.4 ሚሊዮን ሰባት ህፁፅ ሰብኣዊ ረድኤት የድልዮም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%89%A5%E1%88%AA%E1%8C%A3%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%88%E1%8A%AA%E1%88%8D-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%88%B4%E1%8D%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD-%E1%89%A0%E1%8C%BA%E1%88%96%E1%88%9D\/6869577.html"} {"headline":"ከተማ ሽረ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝረኸበት ክፍሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ","content":"ከተማ ሽረ ሎሚ ሓሙስ ታሕሳስ 8,2022 ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝረኸበት ክፍሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን እቲ ትካል ኣቶ ሞገስ መኮንን ንድምፂ ኣመሪካ ከምዝሓበርዎ፣ እታ ከተማ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክትረክብ ዝኸኣለት፣ ካብ ግድብ ተከዘ ክሳብ ሽረ ናይዘሎ መስመር ፅገና ሎሚ ድሕሪ ምዝዛሙ ምዃኑ ሓቢሮም። ናይ ከተማ ሽረ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምርካብ ነተን ክሳብ ሑመራ ዘለዋ ካልኦት ከተማታት እውን ብተመሳሳሊ ሓይሊ ንምቕራብ ዘኽእል ከምዝኾነ ኣቶ ሞገስ ወሲኾም ገሊፆም። ኣብዚ ሰሙን ከተማ መቐለ ምስ ሃገራዊ መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምርኻባን፣ በዚ መስመር ትጥቀም ከምዘላን ዘመልከቱ ኣቶ ሞገስ፣ ብኣንፈት ደቡብ ክሳብ መቐለ ዘለዋ ከተማታት እውን ተጠቀምቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝኾና ኣመልኪቶም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%BD%E1%88%A8-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%8A%A4%E1%88%8C%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%88%AA%E1%8A%AD-\/6868152.html"} {"headline":"ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ቴለፎንን ኤሌትሪክን ጀሚሩ","content":"ንስምምዓት ፕሪቶሪያን ናይሮቢን ስዒቡ ኣብ ገለ ከተማታት ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ኤሌትሪክን ቴለፎንን ጀሚሩ፡ ኣብ ዝበዝሐ ወገናት ግን ገና በዂሩ ምህላዉ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ጸብጺቡ። ኣብ ከተማ መቐለ መስመር መብራህቲ ካብ ሰሉስ ጀሚሩ ብስሩዕ ይቕጽል ከም ዘሎ ንዝምልከቶም ሰብ-መዚ እቲ ክልል ብምውካስ እቲ ኣገልግሎት ዜና ወሲኹ ሓቢሩ። ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ሽረ መስመር ስልኪ ካብ ቅድሚ ሰሙን ኣትሒዙ ከም ዝተጀመረ ዘመልከተሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ፡ ኣብታ ከተማ ግን ገና ኣገልግሎት መብራህቲን ባንክን ከም ዘየለ ሓቢሩ። እቲ ዜና ወሲኹ፡ ብሰንኪ ምቍራጽ ኣገልግሎት ባንክ ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ካብቲ ኣገልግሎት ተሓሪሙ ከም ዘሎ ጠቒሱ። እንተዀነ፡ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ ኣብተን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር መንግስቲ ዘለዋ ከተማታት ኣገልግሎት ንምጅማር ምድላዋት ይገብር ከም ዘሎ ንማዕከናት ዜና መንግስቲ ብምጥቃስ ኣመልኪቱ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%88%E1%88%88-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%89%B3%E1%89%B5--%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%89%B4%E1%88%88%E1%8D%8E%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%8C%E1%89%B5%E1%88%AA%E1%8A%AD%E1%8A%95-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9\/6867834.html"} {"headline":"ኮሚሽን ሰ\/መሰላት ኢትዮጵያ መንግስቲ ኣብ ግጭት ክልል ኦሮምያ ህጹጽ ስጉምቲ ክወስድ ጸዊዑ","content":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ(ኢሰመኮ) ኣብ ዘውጽኦ ሓዲሽ መግለጺ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ክልል ኦሮምያ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ዝወርድ ዘሎ ሰፊሕ ግህሰት፡ ካብ መንግስቲ ህጹጽ ስጉምቲ ዝሓትት`ዩ ኢሉ`ሎ። ኣብዚ ዝሓለፈ 12 ኣዋርሕ ኣብ`ታ ሃገር ብህይወት ናይ ምንባር መሰል ኣብ ከቢድ ሓደጋ እናወደቐ ምቕጻሉ ዝገለጸ ኢሰመኮ፡ ብፍላይ ኣብ ክልል ኦሮምያ ብዝንቀሳቐሱ ዕጡቕትን ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ዝፈጸሙ ግህሰታት ንሰለማዊ ህዝቢ ንሞትን ከርተትን ከምኡ`ውን ዘረፋን ኣካላዊ መጉዳእትን ኣቃሊዕዎ ከምዘሎ ጠቒሱ። ኣብቶም ከባብታት ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ጉጅለታት ብዓይነቶምን ብብዝሖምን ናይ ምውሳኽ ወይ ናይ ምትሕልላኽ ዝንባለ የርእዩ ከምዘለዉ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ድማ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ንገለ ቀበሌታት ወይ ወረዳታት ተቖጻጺሮም ከምዝጸንሑ እቲ ኮሚሽን ሓቢሩ`ሎ። ኣብቲ ግጭት ቀንዲ ተዋሳእቲ ኮይኖም ዘለዉ ድማ፡ ዕጡቓት ኣምሓራን ብልምዲ ኦነግ ሸኔ ተባሂሎም ብመንግስቲ ዝጽውዑን ምዃኖም ድሕሪ ምጥቃስ ድማ፡ መንግስቲ ግቡእ መርመራ ከካይድን ዜጋታት ንምሕላው ሓላፍነቱ ክፍጽምን ተማሕጺኑ`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%88%85%E1%8C%B9%E1%8C%BD-%E1%88%B5%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%8B%88%E1%88%B5%E1%8B%B5-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%91\/6866373.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ ግጭት ኣብ ምዕራብ ወለጋ ሰባት የፈናቕልን ትሕቲ ቕርጺ የዕንው ምህላው ገሊጹ","content":"ኣብ ምዕራብ ወለጋ ክልል ኦሮሚያ ዘሎ ግጭት ንሰላማዊያን ሰባት ምፍንቓሉን ንብረትን መሰረታዊ ትሕተ-ቕርጺ ምዕናውን ቀጺሉ`ሎ ክብል ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ረድኤት (ኦቻ) ኣፍሊጡ። ቁጽሪ ተፈናቐልቲ ብሰንኪ ሕጽረት ተበጻሕነት ብትኽክል ክፍለጥ ከምዘይተኻእለ ዝገለጸ ኦቻ፡ ሰበ-ስልጣን`ቲ ከባቢ ግን ኣብ ዞባ ምዕራባዊ ወለጋ ጥራሕ ልዕሊ 16 ሺሕ ሰባት፡ ኣብ ዞባ ሆሩ ጉዱሩ ድማ 116,000 ከምዝተፈናቐሉ ምርግጋጾም ጠቒሱ`ሎ። እቲ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ወሲኹ፡መንግስቲ ነቶም ተወሰኽቲ ተፈናቐልቲ ንምትእንጋድ ተወሳኺ መዕቆቢታት የዳሉ ከም ዘሎ ድሕሪ ምሕባር፡ እንተኾነ እቲ ጠለብ ልዕሊ ዝውሃብ ዘሎ ግብረ መልሲ ምዃኑ ጠቒሱ`ሎ። ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባታት ጉጂን ምዕራብ ጉጅን ዘሎ ግጭታት`ውን ንዋሕዚ ሓገዝ የተዓናቕፍ ከምዘሎ ኦቻ ኣፍሊጡ። ጉድለት ምግብና`ውን ብፍላይ ኣብቶም ደርቂ ዝወቕዖም ከባብታት የጥቅዕ ከምዘሎ ዝገለጸ ኦቻ፡ካብ መንጎ ዝተመርመሩ ሕጻናት ዳርጋ 2% ብከቢድ ጉድለት ምግብና ዝሳቐዩ ምዃኖም ሓቢሩ`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8C%8B\/6866261.html"} {"headline":"ሰለስተ ፖለቲካዊ ውድባት ጸገም ጸጥታ ዘለዎ ከባቢ ክልል ኦሮምያ ብኮማንድ ፖስት ክመሓደር ጸዊዖም","content":"ኣብ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ክልል ኦሮሚያ ንዘሎ ፀገም ጸጥታ ንምፍታሕ፣ እቲ ከባቢ ብኮማንድ ፖስት ንክመሓደር ሰለስቲ ተቓወምቲ ውድባት ሓቲቶም። እቶም ሎሚ ሰሉስ ታሕሳስ 6,2022 ናይ ሓባር መግለፂ ዝሃቡ እናት ፓርቲ: ኢህአፓን መኢኣድን ዝተባህሉ ውድባት ኣብ ምብራቕ ወለጋ ኣብዚ ሰሙን ብዝተወለዐ ጎንፂ ብርክት ዝበሉ ሰላማዊያን ሰባት ከምዝተቐተሉ ብኣሽሓት ዝግመቱ ከምዝተመዛበሉን ብዙሕ ንብረት ከምዘዓነወን ገሊጾም። ነዚ ፀገም ብህፁፅ ንምእላይ መንግስቲ ነቲ ናዕቢ ንዘጎሃህሩ ዘለው ዝበልዎም ሓይልታት ናብ ሕጊ ከቕርቦም ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ንህዝቢ መብርሂ ክህብን እቲ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ኮማንድ ፖስት ክመሓደርን እውን ፀዊዖም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ህዝቢ ሰላምን ፀጥታን ናይ ምሕላው ሓላፍነቱ ክፍፅምን ግዳያት ፍትሒ ክረኽቡ'ውን እተን ውድባት ኣተሓሳሲቦም። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ርእይቶ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%8C%88%E1%88%9D-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8E-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8A%AE%E1%88%9B%E1%8A%95%E1%8B%B5-%E1%8D%96%E1%88%B5%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%96%E1%88%9D\/6864727.html"} {"headline":"ኣስታት 65% ሓይልታት ትግራይ ካብ ቅድመ-ግንባር ምስሓቡ ተገሊጹ","content":"ንስምምዓት ፕሪቶሪያን ናይሮቢን ንምትግባር፡ ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ፡ ሰራዊቶም ካብ ቅድመ-ግንባር ይስሕቡ ከም ዘለዉ ኣመልኪቶም። ሌነናል ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ብዛዕባ ምፍታሕ ከበድቲ ብረት ኣመልኪቶም’ውን ጠቒሶም ኣለዉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-65-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%89%85%E1%8B%B5%E1%88%98-%E1%8C%8D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%93%E1%89%A1-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6862926.html"} {"headline":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያ ዋላ እንተተኸትመ እኳ ንድሕሪት ዝተረፈ መሪር ሓዘን ግን ኣሎ","content":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያ ዋላ እኳ እንተተኸትመ ንድሕሪት ዝተረፈ መሪር ሓዘን ግን ኣሎ። ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሓይሊታት ትግራይ ንኽልተ ዓመት ክካይድ ዝፀንሐ ውግእ ሕድሕድ ደው ንምባል ኣብ ወርሒ ሕዳር ስምምዕ እንተኸተመ እኳ ንምኽባሩ ግን ኣብ መፃኢ ዝረአ እዩ ዝኸውን: ዳርጋ ኣብ መላእ ክልል ትግራይ ድልየት ሰብኣዊ ሓገዛት ይጋደድ ኣሎ። ብኽልቲኡ ወገን ዝርከቡ ግዳያት ገበን ኲናት ፍትሒ ክወሃቦም ይፅበዩ ኣለዉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%8B%E1%88%8B-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%89%B5%E1%88%98-%E1%8A%A5%E1%8A%B3-%E1%8A%95%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%A8%E1%8D%88-%E1%88%98%E1%88%AA%E1%88%AD-%E1%88%93%E1%8B%98%E1%8A%95-%E1%8C%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%8E\/6860200.html"} {"headline":"ሕ\/ኣ ሓባራዊ ኣኼባ ሰብ-ሞያ ኣብ ትግባረ ስምምዕ ሰላም ምትእምማን ዘኻዕብት'ዩ ክብል ገሊጹ","content":"ሕብረት ኣፍሪቃ ኣኼባ ሓባራዊ ኮሚተ ሰብ-ሞያ ኣብ ሽረ ነቲ ስምምዕ ሰላም ምሉእ ብምሉእ ንምትግባር ኣብ መንጎ ክልቲኦም ኣካላት ዓብይ ምትእምማን ዘራጉድ’ዩ ክብል ኣፍሊጡ። ሕብረት ኣፍሪቃ ትግባረ እቲ ስምምዕ ድሕሪ ምጅማሩ ኣብ ዘውጽኦ ፈላማይ መግለጺ ሕብረት ኣፍሪቃ:መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ንመስርሕ ሰላም ዓብይ ግደ ይጻወቱ ምህላዎም ገሊጹ። እቲ ተወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ:መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝሓዘ ኣኼባ ናይ ሓባር ኮሚተ ኣብ ክልል ትግራይ ንዘሎ ፈኮስቲ ኣጽዋር ምፍታሕ ዘኽእል ናይ ትግባረ ውጥን ንምድላው ዝተጸውዓ ምዃኑ ተሓቢሩ'ሎ። ቀንዲ መራሒ'ቲ መስርሕ ሰላም ዝኾነ ሕብረት ኣፍሪቃ ትግባረ'ቲ ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምጅማሩ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ፈላማይ መግለጺ እቲ ኣብ ሽረ ዝካየድ ኣኼባ ፎኮስቲ ኣጽዋር ናይ ምፍታሕ ሓፈሻዊ ናይ ትግባረ ውጥን ንምድላው ዝሓትት ናይ ላዕለዎት ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ መግለጺ ናይሮቢ ዝሰማማዕ ምዃኑ ኣፍሊጡ'ሎ። እቲ ናይ ሽረ ኣኼባ ሓባራዊ ኮሚተ ዕጡቃት ትግራይ ዕጥቆም ኣብ ዝፈትሕሉን ናብ ካምፕ ዝኣትውሉን ዝርዝር ውጥን ክዘራረብ ከም ዝጀመረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዝገለፀሉ፡ ተዋጋእቲ ትግራይ ሒዞሞ ካብ ዝነበሩ ግንባራት ውግእ ክወፁ ከም ዝጀመሩ መሓውራት ዜና’ቲ ክልል ሓቢሮም’ለዉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ተዋጋእቲ ትግራይ ካብ ግንባራት ውግእ ክወፁ ምጅማሮም ብዝምልከት ብወግዒ ዝገለፆ ነገር እንተዘይሃለወ’ዃ ንትግባረ’ቲ ስምምዕ ሰላም ብቖራፅነት ምስርሑ ከምዝቅፅል ደጋጊሙ ገሊፁ’ዩ። ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር መለስ ኣለም’ውን ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ኣካላት ነዚ ስምምዕ ሰላም ከም ዝደገፉን ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ’ውን ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ቅድሚ 2-3 ወርሒ ስምምዕ ሰላም ክግበር’ዩ ኢልካ ምሕሳብ ዘይከኣል ኔሩ ምባሎም ብምጥቃስ ንትግባረ’ቲ ስምምዕ ሰላም ዝወሃብ ዓለምለኸ ደገፍ ምውሳኹ ሓቢሮም። ሕብረት ኣፍሪቃ’ዉን መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ንከይዲ’ቲ ሰላም ዓብይ ግደ ይጻወቱ ኣለው ክብል ንኢዱ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%8A%A3-%E1%88%93%E1%89%A3%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%A3%E1%8A%BC%E1%89%A3-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%9E%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%88%A8-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8A%A5%E1%88%9D%E1%88%9B%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%8A%BB%E1%8B%95%E1%89%A5%E1%89%B5-%E1%8B%A9-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6859935.html"} {"headline":"“ኣብ ሽረ ኣገልግሎት ቴለፎን ክጅምር’ዩ” ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኢትዮ-ቴሌኮም","content":"ኣብ ከተማ ሽረ ኣገልግሎት ቴለፎን ቀዳም ክጅምር መደብ ከም ዘሎ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኢትዮ-ቴለኮም ኣቶ መሳይ ውብሸት ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። እቶም በዓል መዚ ከም ዝሓበሩዎ፡ መስመር ቴለፎን ንምጅማር ኣብ ሽረ ዝርጋሐ ፋይበር ይሳለጥ ከም ዘሎ ኣመልኪቶም። ዛጊት 266 ኪሎ-ሜተር ንውሓት ፋይበር ምዝርጋሑ ዘመልከቱ ኣቶ መሳይ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ስራሓት እንተ ተዛዚሙ ስሩዕ መስመር ጽባሕ ቀዳም ክጅመር ተስፋ ኣለዎ። ድሮ’ውን ኣብ ገለ ክፋል እታ ከተማ ናይ ፈተነ መስመር ክካየድ ምጽናሑ ወሲኾም ገሊጾም። ኢትዮ-ቴሌኮም ድሕሪ እቲ ኩናት ኣብ 13 ከተማታት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ቴሌፎን ከምዘጀመረ ዝተዛረቡ አቶ መሳይ፣ ንከተማታት አኽሱምን ዓድዋን እውን ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ቴሌፎን ንምግባር ስራሕ ከምዝተጀመረ ኣብሪሆም። ኣብዚ እዋን ኣገልግሎት ድምፂ ቀዳምነት ከምዝወሃብን ኣገልግሎት ኢንተርኔት ድማ ኣብ ከይዲ ከምዝጅመርን ኣቶ መሳይ ሓቢሮም። እቲ ኣገልግሎት ኣብ መላእ ክልል ትግራይ መዓዝ ከምዝጅምር ንምዝራብ ግን ኣፀጋሚ እዩ ኢሎም። ኣገልግሎት ቴሌፎን ንምጅማር ፀገም ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዕንቅፋት ይኸውን ምህላው ድማ ጠቒሶም። ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ብወገኑ ንከተማ ሽረን ካልኦት ከተማታት እቲ ከባብን ተጠቀምቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምግባር ፅገና መሓውር መሰረተ ልምዓት ይገብር ኣለኹ ይብል። ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣቶ ሞገስ መኮንን እቲ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ መዓዝ ከምዝጅመር ግን እቲ ከይዲ ፅገና ኢዩ ዝውስኖ ኢሎም። እንተኾነ እተን ከተማታት ብህፁፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንክረኽባ ይስራሕ ከምዘሎ ኣረዲኦም። ኣቶ መሳይ ውብሸት ስለምንታይ ኣገልግሎት ቴሌፎን ብሽረ ጥራሕ ክጅመር ከምዝተገበረ ተሓቲቶም መንግስቲ ካብ ናይ ፀጥታ ስግኣት ነፃ እዩ ኢሉ ዘረጋገፀልና ከባቢ ስለዝኾነ እዩ ኢሎም። መንግስቲ ውሑስ ቦታ እዩ ኢሉ ብዝሃበና ኣንፈት ኢና ንጅምር ድማ ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%BD%E1%88%A8-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%89%B4%E1%88%88%E1%8D%8E%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%8C%85%E1%88%9D%E1%88%AD-%E1%8B%A9-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8A-%E1%88%AD%E1%8A%AD%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE-%E1%89%B4%E1%88%8C%E1%8A%AE%E1%88%9D\/6859635.html"} {"headline":"“ድሕሪ ምኽታም ስምምዕ ሰብኣዊ ሓገዝ ኢትዮጵያ ገና ንኡስ’ዩ ዘሎ” ሕ\/ሃ","content":"ዋላ’ኳ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት እንተ ተኸተመ፡ ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝኣቱ ዘሎ ሓገዝ ኣዝዩ ውሑድን ትሕቲ’ቲ ትጽቢት’ዩ ክብል ንዋና ጸሓፊ እቲ ውድብ ብምጥቃስ ወሃብ-ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ጁዳሪክ ሓቢሩ። እቲ ወሃብ-ቃል ትማሊ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብድምሩ ኣስታት 13 ሚልዮን ህዝቢ፡ ሓሙሽተ ሚልዮን ካብኣቶም ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ተጸበይቲ ረዲኤት’ዮም ኢሉ። ንሱ ወሲኹ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ዝተመሓየሸ ኣገባብ ከም ዘሎ ብምምልካት፡ ዛጊት ናብ ክልል ትግራይ 550 ናይ ጽዕነት መካይድን ኣትየን ምህላወን ኣመልኪቱ። ኣብቲ ትማሊ ዝተዘርግሐ ስሌዳ መጠን ሓገዝ ዓመተ 2023፡ 26 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ንምሕጋዝ፡ ሕቡራት ሃገራት 3.5 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ሓገዝ መዲቡ ከም ዘሎ ተመልኪቱ'ሎ። ሕቡራት ሃገራት ነዚ ተሊሙዎ ዘሎ ባጀት ካብ ሓገዝቲ ኣካላት ክረኽቦ ትጽቢት ይገብር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%89%B3%E1%88%9D-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8C%88%E1%8A%93-%E1%8A%95%E1%8A%A1%E1%88%B5-%E1%8B%A9-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%88%95-%E1%88%83\/6859619.html"} {"headline":"ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ክታበት መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ኣተኣታትዩ","content":"ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሓድሽ መከላኸሊ ክታበት መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ኣተኣታትዩ። እዚ ካብ 21 ሕዳር ክሳብ 25 ሕዳር ብደረጃ ሃገር ብመልክዕ ወፍሪ ንፈለማ እዋን ክወሃብ ዝጀመረ ክታበት፡ዕድሚኤን ካብ 9 ክሳብ 14 ንዝኾና ደቂ ኣንስትዮ፡ ክልተ ግዜ ከምዝወሃብ ሓላፊ ሃገራዊ መደብ ክታበ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣቶ ቴድሮስ ይሕደጎ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጹ። ነዚ መደብ ንምዕዋት ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣስተምህሮን ጎስጓስን ክካየድ ከምዝጸንሐን ዘድሊ ንዋትን ዓቕሚ ሰብን ብምውዳድ ተግባራዊ ክኸውን ከምዝኸኣለ ኣቶ ቴድሮስ ወሲኹ ሓቢሩ። ነተን ኣብ’ዚ ወፍሪ ክታበት ዘይኣተዋ ደቂ ኣንስትዮን ኣደታትን ፡ኩነታተን ንምፍላጥ ዝሕግዝ ፍሉይ ናይ መርመራ መደብ ከምዝወሃብ ኣቶ ቴድሮስ ሓቢሩ’ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%AD%E1%89%B3%E1%89%A0%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%88%BD%E1%88%AE-%E1%8A%AD%E1%88%B3%E1%8B%B5-%E1%88%9B%E1%88%85%E1%8C%B8%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%8A%A3%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8B%A9\/6858481.html"} {"headline":"ዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃ ምስ ቀ\/ሚ ኣቢይን ኣቦ- መንበር ሕ\/ኣፍሪቃ ተራኺቦም፣ ተዘራሪቦም","content":"ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ፣ ሎሚ ሓሙስ ምስ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድን ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሓመትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም:ተዘራሪቦም። እቶም ዋና ጸሓፊ ኣብ’ዚ ቀረባ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ንዝተኸትመ ነባሪ ምቁራጽ ተኹሲን ትግባረኡን ምሉእ ደገፍ ከምዝገብሩሉ ሓቢሮም። ንሶም ወሲኾም ሕቡራት ሃገራት፣ ነቶም ሰብኣዊ ደገፍ ዘድልዮም ሰባት ንምሕጋዝ ምሉእ ዓቕሙ ከምዝጥቀም’ውን ቃል ኣትዮም። ሰለስቲኦም ሰበ ስልጣን ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ፣ ዞባዊን ዓለምለኻዊን ዛዕባታት ከምዝዘተዩ’ውን ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ዝላኣኾ ዜና ሓቢሩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%8A-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A6--%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%88%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-\/6858381.html"} {"headline":"ሓባራዊ ኣኼባ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ከምዝተሳለጠ ተገሊጹ","content":"ብመሰረት ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተኸትመ ውዕል ሰላም፣ ዕጡቓት ክልል ትግራይ ኣጽዋር ዝፈትሕሉ ኩነታት ብዝምልከት ሓባራዊ ኣኼባ ኣብ ሽረ ከምዝተሳለጠ ሚንስትሪ ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ሎሚ ኣፍሊጡ። ኣብ’ቲ ልዝብ፣ ካብ ክልቲኡ ወገን ዝተወከሉ ይሳተፉ ከምዘለው፣ ሓባራዊ ኮሚቴ ቆይሙ ብቅልጡፍ ናብ ትግባረ ከምዝኣትውን እቲ ዜና ሓቢሩ። ወከልቲ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን፣ ሓይልታት ትግራይን ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ተራኺቦም፣ ኣብ ልዕሊ ቴክኒካዊ ጉዳያት ከምዝዘራረቡ፣ ብወገን ህወሓት ተላዛቢ ዝኾኑ ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው ዝሓለፈ ሰሙን ንጋዜጠኛታት ከምዝገለጹ ዝዝከር እዩ። ናይ’ቶም ኮሚቴ ሰብ-ሞያ ብመሰረት ዝሕንጽጾ መርሃ ግብሪ፣ ዕጥቂ ዝፈትሓሉ፣ ናብ መዓስከር ዝኣትውሉን ተኣሳሲሮም ዝላዓሉ ጉዳያት መልሲ ክረኽቡ እዮም። ብሰንኪ ቴክኒካዊ ጉዳያት፣ ኣብቲ መስርሕ ምድንጉይ ከምዝነበረ፣ ሚንስትሪ ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ጠቒሱ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%89%A3%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%A3%E1%8A%BC%E1%89%A3-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%BD%E1%88%A8-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%8B%B3%E1%88%B5%E1%88%8B%E1%88%B0-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%B3%E1%88%88%E1%8C%A0-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6858344.html"} {"headline":"ኣምንስቲ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ፍትሒ ንግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ብቐዳምነት ክስርሓሉ ጸዊዑ","content":"ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ኣብቲ ንኽልተ ዓመታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ትግራይ ዘካየዶ ውግእ ግዳያት ፆታዊ መጥቓዕቲ ንዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ፍትሒ ክረኽባ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፀቅጢ ክገብር ፀዊዑ። ብኻልእ መዳይ ድማ ተሓለቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ጎንፂ ኣብ ዘለዉሎም ከባቢታት ሱዳን ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ደሕንነቶም ክሕሎን ፍትሕን ተሓታትነትን ክሕልው ፀዊዐን። “ብዛዕባ ሰላም ክንዛረብ ከለና ኣብ ፍትሕን ተሓታትነትን ዝተመስረተ እዩ። ስለዝኾነ ፍትሕን ተሓታትነትን ንዝትየሉ መድረኽ ዘይህሉ እንተኾይኑ ብዛዕባ ሰላም ክንዛረብ ኣይንኽእልን።ብዛዕባ ሰለም ምዝራብ ቅድሚ ምጅማርና እዚኦም መበገሲ ክኾኑና ከምዝግባእ ኢና ንኣምን።” ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ብሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ጉጅለ ምልሻን ሓይልታት ትግራይን ዝተፈፀሙ ጥሕሰታት ሰብ ኣዊ መሰላት ዘርኢ ወፍሪ ኣካይዱ ነይሩ። እቶም ተዋጋእቲ ኣካላት ብፕረዚደንት ናይጄሪያ ነበር ኦሊሴንጎ ኦባሳንጆ ዝምራሕ ሞንጎኛነት ሕብረት ኣፍሪቃ ተፃብኦ ጠጠው ንምባል ምስምማዖም ዝፍለጥ እዩ። ይኹንእምበር ከም ሓበሬታ እቲ ጉጅለ ግን ተሓታትነት ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንፃር ሰብኣውነትን ሕጋዊ ፍታሕ ዘርክብ ከይዲ መስርሕ ስጋብ ሕጂ ከምዘይተዳለወ ይግለጽ። እቲ ጉጅለ ተሓለቕቲ መሰላት ተዋጋእቲ ሓይልታት ኣንፃር ንፁሃን ሰባት ገበናት ፈፂሞም እዮም ክብል እንተኸሰሰ'ውን ተቀባልነት ስኢኑ ፀኒሑ እዩ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተወካሊ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ፍሰሃ ተክሌ ብወገኖም መርመርቲ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ንዝተፈፀሙ ሰብኣዊ ገበናት ዝምርምሩ ኣካላት ብዘይቀይዲ ዝኣትውሉ መገዲ ክመዓራረ ከምዝግባእ ሓቢሮም። “ኣምንስቲ ብተደጋጋሚ ናብቲ ከባቢ ኣትዩ ክምርምር ዝሓተተ ኾይኑ ንሕቶታትና መልሲ ዝህበና ግን ኣይረኸብናን። ኣብዚ እዋን ተመዝጊቦም ወይ ተስኒዶም ዝተትሓዙ ሰብኣዊ ጥሕሰት ዘርእዩ መረዳእታታት ኢና ንእክብ ዘለና። ኣብቲ እዋን ጎንፂ ብዛዕባ ኣብቲ ኸባቢ ዝተፈፀመ ጥሕሰት ንምውጋን ገና ብዙሕ ዝተርፎ እዩ። እቲ ዝተጀመረ ንክዛዘምን ሓቂ ድማ ክወፅእን ፈላማ ዘይሻራውያን መርመርቲ ናብቲ ኸባቢ ክኣትዉ ምፍቃድን ከምኡእውን ሰብኣዊ መሰላት ተበፃሕነት ምምዕርራይ ክረጋገፅ ይግባእ።” ኦባሳንጆ ነቲ ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ኣብ ዶቡብ ኣፍሪካ ዝተኸትመ ስምምዕ ሰላም ኣብ ትግባርኡ ድፍኢት ንምግባር ኣብ ቀረባ ናብ ከተማ መቀለ ምኻዶም ዝፍለጥ እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ መብዛሕትአን ፀሊም ዝተኸደናን ፀሊም ባንዴራ ዝሓዛን ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣፍደገ ቤት ፅሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰልፊ ብምክያድ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ሱዳን ደሕንነት ደቂ ኣንስትዮ ክሕሉን ስልጣን ናብ ህዝቢ ከውርድን ፀዊዐን። እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምሉእ ሱዳን ኣንፃር ደቂ ኣንስትዮ ዝፍፀም መጥቓዕቲታትን ኣብ ቀረባ ምስ ብሉናይል ተተሓሒዙ ኣብ ክልላት ኮርዶፋን ዳርፉርን ንዝተፈጥረ ዘይምርግጋኣትን ሓዊሰን ኮኒነን እየን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%92-%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8C%BE%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%8C%BD-%E1%89%A5%E1%89%90%E1%8B%B3%E1%88%9D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%93%E1%88%89-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%91\/6856708.html"} {"headline":"“ናብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዝምለሰሉ መዓልቲ ኣይተፈልጠን” ሚኒስተር በለጠ ሞላ","content":"ዓለማለኻዊ ዋዕላ ምሕደራ ኢንተርነት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽበ ሚኒስተር ቴክኖሎጂን ምህዞን በለጠ ሞላ፡ ኣገልግሎት ኢንተርነት ናብ ክልል ትግራይ ዝምለሰሉ እዋን ውሱን ዕለት ከም ዘይተቐመጠ ገሊጹ። እቲ ሚኒስተር ኣብ መግለጺኡ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ኣገልግሎት ናብቲ ክልል ዝመልሰሉ ኣገባባት ኣብ ምስራሕ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ። እቲ ንኣገልግሎት ኢንተርነት’ውን ዘጠቓለለ ምዃኑ ዝተገልጸ ምምላስ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት መዓስ ምዃኑ ውዱእ ዕለት ዛጊት ከም ዘይተቐመጠ ድማ እቲ ሚኒስተር ወሲኹ ሓቢሩ ክብል ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ጸብጺቡ'ሎ። ድሕሪ ስምምዕ ደቡብ-ኣፍሪቃ ዝተፈላለየ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቲ ክልል ይኣቱ ምህላዉ ይፍለጥ። እንተዀነ ዝሓለፈ ሰሙን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ከም ዝጠቐሶ፡ ናብ ገለ ከባቢታት ትግራይ ንምብጻሕ ዛጊት ኣይከኣለን ዘሎ: ኣገልግሎት መራኸቢታት ድማ ሓደ ካብቲ ብበይኖም ኣካላት ዝጥቀስ ዘሎ ጸገም ምዃኑ’ዩ። ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ከም ዘስፈሮ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ንዋዕላ ምሕደራ ኢንተርነት ኣብታ ንኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ካብ ህዝባ ኣገልግሎት ኢንተርነት ከልኪላ ዘላ ሃገር ኢትዮጵያ ክካይዶ ምውሳኑ፡ ብብዙሓት ወገናት ተነቒፉ’ዩ። ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ካብ ትማሊ ኣትሒዙ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ምሕደራ ኢንተርነት፡ ብተመጣጣኒ ክፍሊት ኣገልግሎት ኢንተርነት ናብ ኵሉ ክባጻሕ ንዝብል መሪሕ ዕላማ ከተግብር ዝፍትን’ዩ። እንተዀነ፡ ከም ጸብጻብ ኣሶሴይትድ ፕረስ፡ 60% ካብቲ 1.3 ቢልዮን ካብ ህዝቢ ኣፍሪቃ ተጠቃሚ ኢንተርነት ኣይኰነን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-offers-no-date-for-end-to-blackout-in-tigray-region\/6856308.html"} {"headline":"ዓለምለኸ ዋዕላ ምሕደራ ኢንተርነት ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ","content":"መበል 17 ስሩዕ ዋዕላ ዓለምለኸ ምሕደራ ጉዳያት ኢንተርነት፡ ሎሚ ንግሆ ጀሚሩ፡ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ይካይድ ኣሎ። እቲ “ጽንዓት ኢንተርነትን ንዘላቒ ሓባራዊ መጻኢ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ድሕሪ 11 ዓመታት'ዩ ዝካየድ ዘሎ። ኣብቲ ዋዕላ ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ’ውን ብመገዲ ማንዛ ኣቢሎም ቃሎም ሂቦም ነይሮም። ኣብቲ ዋዕላ መኽፈቲ መደረ ዘስምዑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሃገሮም ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘለዎ ወሳኒ ተራ ኣብ ግምት ብምእታው ንዝበለጸ ዒላማን ንቑጠባዊ ምትሕብባርን ክትጠቀመሉ ምዃና ኣመልኪቶም። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣብ መደረኦም፡ ምሕደራ ኢንተርነት ነተን ብቑጠባ ዝማዕበላ ሃገራት ጥራይ ዝግደፍ ዘይኰነስ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ’ውን ዓቢ ኣበርኽቶ ክግበራ ከም ዝኽእላን እቲ ባይታ ድማ ክጣጣሓለለን ኣተሓሳሲቦም። ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ናብቲ ጉባኤን ካልኦት መዘናታቶምን ንምርካብ፡ ኣብ ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣምባሳድር ጉዳያት ጸጥታ ኢንተርነትን ዲጂታላዊ ፖሊሲን ናትናኤል ፊክ ኣዲስ-ኣበባ ኣትዮም ኣለዉ። እቶም ኣብ ኣምባሳድር ቅድሚ ጕዕዞኦም ኣብ ዝዘርግሑዎ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ፡ ነቲ ኣጋጣሚ ምርኵስ ብምግባር፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎት መራኸቢታት ብቕልጡፍ ክመልስ ጸዊዖም። እቶም ኣምባሳድር ኣብ መግለጺኦም፡ ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተፈረመ ስምምዕ ምርኵስ ብምግባር’ዮም ነቲ ጻውዒት ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ኣካላት ሕቡራት ሃገራትን ኣቕሪቦም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%8B%8B%E1%8B%95%E1%88%8B-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B0%E1%88%AB-%E1%8A%A2%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%88%8E\/6854680.html"} {"headline":"ናብ ክልል ትግራይ ሓገዝ ምእታው ይቕጽል፣ ንዘሎ ጋግ ግን ኣይመልእን","content":"ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያ፡ ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝ እናዓበየ ክመጽእ ምጽናሑ ኣብ እዋኑ ክሕበር ጸኒሑ’ዩ። ሰብ-መዚ ማዕረ’ቲ ዝድለ ሓገዝ ብዝሒ ተጻባዪ’ውን ኣመና ዓብዩ ብምጽናሑ እቲ ዝኣቱ ዘሎ መጠንን ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ዝቀራረብ ኣይኰነን ይብሉ። እቲ ተኸፊቱ ዘሎ ኣርባዕተ መገድታት ግን ዘተስፉ ምዃኑ ይጠቕሱ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%8C%8D%E1%8B%9D-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8D-%E1%8B%AD%E1%89%95%E1%8C%BD%E1%88%8D-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8C%8B%E1%8C%8D-%E1%8C%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%A5%E1%8A%95\/6853372.html"} {"headline":"“ድሕሪ ስምምዕ፤ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ህዝቢ ትግራይ ግፍዒ ይፍጸም” ኣሶሴይትድ ፕረስ","content":"ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያ፡ ብሓይልታት ኤርትራን ሚሊሻ ክልል ኣምሓራን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ህዝቢ ትግራይ ጭፍጨፋ ይቕጽል ኣሎ ኢሉ። እቲ ኣገልግሎት ዜና፡ ንሰራሕተኛታት ረዲኤት ብምጥቃስ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ሽረ ልዕሊ 300 ዝዀኑ መንእሰያት ብሰራዊት ፈደራልን ሓይልታት ተኣሲሮም ክብል ጠቒሱ። ከም መግለጺ እቲ ሰራሕተኛ ረዲኤት፡ እቶም ግዳይ ማእሰርቲ ዝዀኑ መንእሰያት ምስ ሓይልታት ህወሓት ምትሕሓዝ ኣለኩም ብዝብል ምኽንያት’ዩ። ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ኮረምን ኣላማጣን ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን መንእሰያት ብተመሳሳሊ ናይ ምትሕብባር ክሲ መንእሰያት ምእሳሮም’ውን ካልእ ምንጪ ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ። ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ከም ዘስፈሮ፡ ድሕሪ ምፍራም ስምምዕ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ ምህላው ቀጺሎም ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዜጋታት ዓመጽ፡ ዘረፋን ምጕስቓልን የውርዱ ኣለዉ ክብል ከሲሱ። ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ንቴለቪዥን ክልል ትግራይ ብምጥቃስ ከም ዘስፈሮ’ውን ሰራዊት ኤርትራ ብ19 ሕዳር ኣብ እገላ 63 ሲቪላውያን ዜጋታት ቀቲሉ ክብል ጸብጺቡ። ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ወሃብቲ-ቃል ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ኤርትራን ግብረ-መልሲ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ከም ዘይሰለጦ ጠቒሱ። ስምምዕ ኬንያ፡ ምውጻእ ናይ ደገ ሓይልታት ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ምስ ምፍታሕ ምውራድ ከቢድ ብረት ሓይልታት ትግራይ ክፍጸም’ዩ ይብል። ንኣመሪካ ሓዊስካ ሰራዊት ኤርትራ ብቕልጡፍ ካብ ክልል ትግራይ ክወጽእ ብዙሓት መንግስታት ክጽውዓ ጸኒሐን ኣለዋን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/kidnappings-looting-cited-in-ethiopia-s-tigray-after-truce\/6853091.html"} {"headline":"ደቡብ ሱዳን፤ ብመጥቃዕቲ ድብያ ሰለስተ ሞይቶም 22 ቆሲሎም","content":"ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዋና ጽርግያ ብዝጸንሖም ናይ ድብያ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 3ተ ተጓዓዝቲ ተቐቲሎም። በቲ ኣብ ልዕሊ ገያሾ ሒዛ ዝነበረት ኣውቶቡስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ 22 ካልኦት ከም ዝቖሰሉ`ውን ፖሊስ ኣፍሊጡ`ሎ። ኣብቲ ካብ ጁባ 55 ኪ. ሜ ርሒቑ ናብ ኒሙለ ኣብ ዝወስድ ዓቢይ ጽርግያ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ መንነቶም ዛጊት ኣይተፈልጠን- ግን ወተሃደራዊ ክዳን ዝገበሩን ካልሽን ዝዓጠቑን ምንባሮም ተጠቒሱ`ሎ። ኣብቲ ናይ ድብያ መጥቃዕቲ 2ተ ኡጋንዳውያን ዜጋታት`ውን ከምዝቖሰሉ ወሃቢ-ቓል ፖሊስ ደቡብ ሱዳን ሓቢሩ`ሎ። እቲ ካብ ጁባ ናብ ኒሙለ ዝወስድ ጽርግያ መጥቃዕቲ ክፍጸሞ መጀመርትኡ ኣይኮኑን። ዝሓለፈ ነሓሰ`ውን ኣብ ተመሳሳሊ ጽርግያ ብዝተፈጸመ ናይ ድብያ መጥቃዕቲ፡ 7ተ ሰባት ተቐቲሎም`ዮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6847060.html"} {"headline":"ቤት ጽሕፈት ጥዕና ክልል ደቡብ ለበዳ ሕማም ዓሶ ብብዝሒ ይረኣ ምህላው ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ብሄር ብሄረሰብን ህዝብታትን ክልል ደቡብ ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ተራእዩ ብዘይፈልጥ መልኽዑ ለበዳ ሕማም ዓሶ ብብዝሒ ይረኣ ምህላዉ ቤት ጽሕፈት ጥዕና እቲ ክልል ኣፍሊጡ። ዛጊት ልዕሊ 70 ሽሕ ሰባት በቲ ሕማም ዝተታሕዙ ኾይኖም ቤት ጽሕፈት ጥዕና እቲ ኽልል 1.2 ሚልዮን ኬሚካል ዝተለኽየ ዛንዜራ (ላሙስያ) ምዕዳሉ ኣተሓባባሪ እቲ መደብን ምኽትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጥዕናን ኣቶ መና መኩርያ ገሊፆም። ንሶም ቅድሚ ሎም ሕማም ዓሶ ንምክልኻል ብዝተሰርሑ ስራሓት ምኽንያት ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ለበዳ ሕማም ዓሶ ቀኒሱ ዝነበረ ኾይኑ ኣብዚ እዋን ግን ካብቲ ዓሚ ዝነበሮ ብ28% ክውስኽ ከምዝኸኣለ እዚ ድማ ዘይተለመደ ምዃኑ ንድምፂ ኣመሪካ ሓቢሮም። ኣይተ መና መኩርያ ወሲኾም ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ሰሙን ጥራሕ 9-ሽሕ ሰባት ብሕማም ዓሶ ከምዝተትሓዙ ኣፍሊጦም:እቲ ለበዳ ብብዝሒ ዝተራእየለን ዞባታት ደቡብ ኦሞ፣ ጋሞ-ጎፋን ዞባታት ወላይታን እዮም ኢሎም። ስጋብ ሎሚ ለበዳ ዓሶ ይረኣየሉ ዝነበሩ ወቕትታት ካብ መስከረም ስጋብ ታሕሳስን ካብ መጋቢት ስጋብ ግንበት ኣብ ዝነበሩ እዋናት ምዃኑ ዝገለፁ ኣይተ መና ሎሚ ግና እቲ ካብ ወርሒ ሓምለ ዝጀመረ ለበዳ ብምኽንያት ለውጢ ከባቢ ኣየርን ነቲ ሕማም ይወሃቦ ዝነበረ ጠመተ ብምንካዩን ስጋብ ሎሚ ከምዝቐፀለ ተዛሪቦም። ንሶም ወሲኾም ዛጊት በቲ ለበዳ ዝሞተ ሰብ ከምዘየለ ገሊፆም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8C%BD%E1%88%95%E1%8D%88%E1%89%B5-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%88%88%E1%89%A0%E1%8B%B3-%E1%88%95%E1%88%9B%E1%88%9D-%E1%8B%93%E1%88%B6-\/6845510.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ ወልቂጤ ዝተኻየደ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ብዝተሓሓዝ ብዙሓት መንእሰያት ምእሳሮም ነበርቲ ገሊጾም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ጉራጌ ከተማ ወልቂጤ ብዓርቢ ኣብ ዝተገብረ ስራሕ ጠጠው ናይ ምባል ተቓውሞ ምኽንያት ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ምእሳሮም ነበርቲ እቲ ከተማ ሓቢሮም። ኣስታት 200 ዝበፅሑ መናእሰይ ምእሳሮም ዝሓበሩ ሓደ ወሃቢ ርእይቶ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡን ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወፁን መናእሰይ ማህረምቲ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ መሰላቶም ዝጥሕሱ ተግባራት ከምዝተፈፀምዎም ሓቢሮም። ኣብቲ ዞባ ዘሎ ክልል ናይ ምዃን ሕቶ ተተሓሒዙ ብፖሊስ ይድልዩ ምህላዎም ዝፈለጡ ሓደሓደ መናእሰይ ካብቲ ኸባቢ ምስዋሮም’ውን ተገሊፁ። ነዚ ዝተባህለ ሓበሬታ ዘረጋግፅ ከምዘይብሉ ዝሓበረ ፖሊስ ደቡብ ተወሳኺ ምፅራይ ከካይድ ምዃኑ ኣፍሊጡ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%89%82%E1%8C%A4-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B0-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8B%B5%E1%88%9B-\/6845466.html"} {"headline":"ጋዜጣዊ መግለጺ ተዛተይቲ ሰላም ትግራይ","content":"ኣብ መንጎ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ህወሓትን ፈደራላዊ መንግስቲን ኣብ ፕሪቶሪያ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኻየደ ስምምዕ፡ ንትግራይ ወኪሎም ኣብቲ ዘተ ካብ ዝተሳተፉ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን ንፈለማ እዋኖም ንማዕከናት ዜና እቲ ክልል ብሰንበት መግለጺ ሂቦም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%89%B0%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/6843973.html"} {"headline":"ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ ሓገዝ ቀጺሉ'ሎ","content":"ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ ሓገዝ ይውስኽ ምህላዉ በበይኖም ኣካላት የመልክቱ ኣለዉ። ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ከም ዘመልከቶ፡ ሰንበት፡ 14 ናይ ጽዕነት መካይን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንትግራይ ምእታወን ኣመልኪቱ። እተን መካይን ነዳዲን ካልእ ኣዝዩ ኣገዳሲ መግቢን ሒዘን ምንባረን ተሓቢሩ ኣሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ መድሃኒትን ካልእ ኣገዳሲ መሳርሒታትን ዝሓዛ መካይን ሎሚ ናብ ክልል ትግራይ ምእታወን ብናይ ትዊተር ገጹ ኣመልኪቱ። ከም ሓበሬታ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ እዚ ሓገዝ ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ናይ ነሓሰ ናይ ፈለማ ጕዕዞ ምዃኑ’ዩ። ብተመሳሳሊ ዓለምለኸ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል፡ ተወሳኺ መድሃኒትን ኣገዳሲ ቀረባትን ዝሓዛ መካይን ትማሊ ሰንበት ትግራይ ምእታወን ብናይ ትዊተር ገጹ ኣመልኪቱ። ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ከም ዝጸብጸቦ፡ ቀረባት መድሃኒትን መግቢን ናብ ትግራይ ምእታው ይቐጽል ደኣ’ምበር፡ ምስቲ ኣጋጢሙ ዝጸንሐ ሕጽረት ሰፊሕ ጋግ ከም ዘሎ ሓቢሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B1-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%89%80%E1%8C%BA%E1%88%89-%E1%88%8E\/6843672.html"} {"headline":"መቐለ፤ ግምታትን ትጽቢታትን ደገፍቲን ተጻወትቲ ነበርን ኣብ ዋንጫ ዓለም 2022","content":"መቐለ፤ ግምታትን ትጽቢታትን ደገፍቲን ተጻወትቲ ነበርን ኣብ ዋንጫ ዓለም 2022","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8C%8D%E1%88%9D%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%89%B5%E1%8C%BD%E1%89%A2%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%B0%E1%8C%88%E1%8D%8D%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8C%BB%E1%8B%88%E1%89%B5%E1%89%B2-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8B%E1%8A%95%E1%8C%AB-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-2022\/6840611.html"} {"headline":"ኣስመራ፤ ግምታትን ትጽቢታትን ደገፍቲን ተጻወትቲ ነበርን ኣብ ዋንጫ ዓለም 2022","content":"ኣስመራ:ግምታትን ትጽቢታትን ደገፍቲን ተጻወትቲ ነበርን ኣብ ዋንጫ ዓለም 2022","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8C%8D%E1%88%9D%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%89%B5%E1%8C%BD%E1%89%A2%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%B0%E1%8C%88%E1%8D%8D%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8C%BB%E1%8B%88%E1%89%B5%E1%89%B2-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8B%E1%8A%95%E1%8C%AB-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-2022-\/6840578.html"} {"headline":"ጉዳይ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ኣብ ዘተ ስትራተጂ ምምሕዳር ባይደን ተላዒሉ","content":"ኮንግረስ ኣመሪካ “ስትራተጂ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ሃገራት ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝገበሮ ጻንሖት፡ ብወገን ኣባል ኮንግረስ ብራድ ሸርማን ንከይዲ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ተላዒሉ ነይሩ። እቲ ካብ ካሊፎርኒያ ዝዀነ ኣባል ንኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ምክትታል ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝዀነት ሞልይ ፊ ኣብ ዘቕረቦ ሕቶ፡ “ኤርትራ ሰራዊታ ክትስሕብ ተስፋ እገብር ሽሕ'ኳ ኣካል`ቲ ስምምዕ እንተዘይኮነት”፡ግን ኣብ ክልል ትግራይ ሰፊሕ ዓመጽን ጥሕሰትን እናፈጸመት እንከላ፡ “በቲ ስምምዕ ተቐይዳ ሰራዊታ እንተዘይሲሒባ ኣብ ልዕሊ`ታ ሃገር እንኮላይ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂን ጽላት ዕደና እታ ሃገርን ማዕቀብ ክግበር ክንድግፍ`ዶ ኣይግባእን\" ክብል ሓቲቱ። እቲ ኣባል ኮንግረስ ብተመሳሳሊ ነቲ ዘድሊ ቅድመ-ኩነት እንተ ዘየማሊኣ ኢትዮጵያ ናብ ስምምዕ ኣጉዋ ከይትምለስ፡ ካብ ዓለማውያን ትካላት ከም ባንክ ዓለምን ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ (IMF) ፋይናንሳዊ ሓገዛት ደው ክብልን ካልእ ንዕጫ ዕድል ምዕራብ ትግራይ ዝመልከትን ኣርእስታት ኣልዒሉ። ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ምክትታል ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝዀነት ሞልይ ፊ ድማ ምስሓብ ሓይልታት ወጻኢ ኣካል`ቲ ስምምዕ ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ ኤርትራ`ውን ክትስሕብ ዝከኣሎም ክግበሩ ምዃኖም፡ ንኢትዮጵያ’ውን ነቲ ዝፈረመቶ ስምምዕ ከተትግብር ክሰርሑ ምዃኖምን ኣመልኪታ። ኣብ ዝርዝር ናይ ምዕራብ ትግራይ ዝካየድ መጻኢ መደባት ግን ኣብ ከይዲ ዝርአ እምበር ንቤት ጽሕፈታ ከም ዘይምልከት ሓቢራ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%8D%95%E1%88%AA%E1%89%B6%E1%88%AA%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%89%B0%E1%8C%82-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%8B%B0%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%92%E1%88%89\/6840329.html"} {"headline":"ርእይቶ ሰብ-መዚ ብዛዕባ ናብ ክልል ትግራይ ዝኣተወ ቀረባት መድሃኒት","content":"ድሕሪ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ንፈለማ እዋን፡ ናብ ክልል ትግራይ ዝኣተወ ቀረባት መድሃኒት፡ ትስፉዎ ምጅማር ደኣ ይዅን እምበር፡ ምስቲ ዘሎ ጠላባት ክነጻጸር እንከሎ ግን ኣዝዩ ትሑት’ዩ ክብሉ ሰብ-መዚ እቲ ክልል ይገልጹ ኣለዉ። ተስፋኦም ተወሳኺ ቀረባት ክለኣኽ’ዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%9A-%E1%89%A5%E1%8B%9B%E1%8B%95%E1%89%A3-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%8B%88-%E1%89%80%E1%88%A8%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%83%E1%8A%92%E1%89%B5\/6838812.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ሃገራዊ ኮሚቴ ጸረ-ብልሽውና ኣቑማ","content":"ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኢትዮጵያ እናተለምደ መጽዩ ዝበሎ ተግባራት ብልሽውና ንምንካይ ሃገራዊ ኮሚቴ ጸረ-ብልሽውና ምምስራቱ ዕላዊ ጌሩ። ቅድሚ ትማሊ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ መብርሂ ዝሃበ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ብልሽውና ኣብ ኢትዮጵያ ብዘተሓሳስብ ደረጃ ምስፍሑን ንዕኡ ንምክልኻል መንግስቱ ሓደ ሃገራዊ ኮሚቴ ጸረ-ብልሽውና ኣብ ሓጺር መዓልታት ከምዘቝምን ኣፍሊጡ ኔሩ`ዩ። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ሎሚ ኣብ ማሕበራዊ ገጻቱ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ብልሽውና ኣብዚ እዋን`ዚ ስግኣት ድሕነት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት፡ኣተሓሕዛ መሬት፡ኣብ መዳይ ፋይናንስ፡ ኣብ መስርሕ ዕድግን መሸጣን ኣብ ባይቶታት ፍትሒ፡ ዝተፈላለዩ ትካላት መንግስቲ ከምኡ`ውን ትካላት ልምዓት ዝኣመሰሉ ብዝርኣይ ዘሎ ብልሽውና ህዝቢ የማርር ከምዘሎ ብዝርዝር ኣብሪሁ`ሎ። ብዛዕባ`ዚ ርእይትኦም ካብ መንጎ ዝተሓተቱ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ማሕበር ቁጠባ ኢትዮጵያ ፕሮፈሰር መንግስቱ ከተማ ብወገኖም፡ ነቲ ጸገም ተረዲእካ ኮሚቴ ምምስራቱ ዘድንቑ እንተኾኑ`ኳ፡ እቲ ሱር ዝሰደደ ጸገም ክፍታሕ`ዩ ኢሎም ከምዘይኣምኑ ገሊጾም ኣለዉ። ሓላፊት ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ሰልፍታት ፖለቲካ ዶ\/ር ራሄል ባፌ`ውን፡ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጥን ተሓታታይነትን እንተዘይሰፊኑ፡ እቲ ዝተመስረተ ኮሚቴ ጸረ-ብልሽውና ዕዉት ክኸውን ከምዘይክእል`ያ ትገልጽ። ሎሚ ዕላዊ ዝኾነ ኮሚቴ ጸረ-ብልሽውና ኢትዮጵያ፡ ዳይሬክተር ሃገራዊ ድሕነት ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ፡ ሚንስተር ፍትሒ ዶ\/ር ጌደዎን ጢሞትዮዎስ ዝርከብዎ ሸውዓተ ኣባላት ዝሓቖፈ`ዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6838711.html"} {"headline":"ፕሮግራም መግቢ ዓለም ተወሳኺ ሓገዝ ንትግራይ ምልኣኹ የመልክት፣ ሰብ-መዚ ኣመሪካ ንዝዓበየ ሰብኣዊ ሓገዝ ይጽውዑ","content":"ፕሮግራም መግቢ ዓለም (WFP) ጨንፈር ኢትዮጵያ ሎሚ’ውን ካብ ኮምቦልቻ ተበጊሰን ክልል ትግራይ ዝኣተዋ መካይን ሓገዝ ምስዳዱ ብናይ ትዊተር መልእኽቱ ሓቢሩ። እተን እኽሊ፡ ዘይቲን ካልእ ቀረባት መግቢን ዝጸዓና መካይን፡ 300 ቶን ዝኸውን ሓገዝ ምግዓዘን እቲ ጽሑፍ የመልክት። ከም ሓበሬታ ፕሮግራም መግቢ ዓለም እቲ ሓገዝ ኣብ ኣላማጣ ዝርከቡ ኣስታት 67-ሽሕ ዜጋታት ዝዕደል’ዩ። ብዅሉ መገድታት ተመሳሳሊ ሓገዝ ክውሕዝ ኣዝዩ ኣድላዪ ምዃኑ ድማ እቲ ቤት ጽሕፈት ጠቒሱ ኣሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ-ግሪንፊልድ ብትዊተር ኣብ ዝጸሓፈቶ መልእኽቲ፡ “እቲ ተበጊሱ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ይደንጕ ደኣ’ምበር ደስ ዘብል ዜና’ዩ” ክትብል ገሊጻ። ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ድማ መጠን ሰብኣዊ ሓገዝ ዓብዩ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ድሌታት ክዳረጎ ተማሕጺና። ብተመሳሳሊ’ውን ኣመሓዳሪት ተራድኦ ዓለምለኸ ኣመሪካ (USAID) ዝዀነት ሳምንታ ፖወር፡ ኣብ ትዊተር ናይ ትዊተር ገጻ፡ “ኣብ ክልተ ዓመት ዝተራእየ ስቓይ መዳርግቲ የብሉን፡” ኢላ። እቲ ጀሚሩ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ድማ ከየቋረጸን ብዝሓየለ መገዱን ክቕጽል ድማ ጸዊዓ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B3%E1%8A%BA-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%95%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-\/6838660.html"} {"headline":"ጋዜጠኛ ተመስገን ደሳለኝ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሑ","content":"ጋዜጠኛ ተመስገን ደሳለኝ ሎሚ ረቡዕ ሕዳር 16,2022 ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሑ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛ ተመስገን ደሳለኝ ብ30 ሽሕ ቅርሺ ዋሕስ ክፍታሕ ትማሊ ብዝሃቦ ውሳነ ሎሚ ረቡዕ ድሕሪ ቐትሪ ካብ ቤት ማእሰርቲ ቂሊንጦ ከምዝተፈትሐ ሓው እቲ ጋዜጠኛ ታሪኩ ደሳለኝ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፁ። ጋዜጠኛ ተመስገን ደሳለኝ ንክፍታሕ ዝተወሰነ ትማሊ ሰሉስ እኳ እንተነበረ፣ ቤት ማእሰርቲ ቂሊንጦ ክፈትሖ ከምዘይከኣለ ጠበቕኡ ተዛሪቦም። ጠበቓ እቲ ጋዜጠኛ ቤተማርያም ኣለማየሁ ሎሚ ናብ ቤት ፍርዲ ከይዶም ነቲ ቤት ማእሰርቲ ካልኣይ ደብዳበ ክፀሓፈሉ ብምግባሮም ጋዜጠኛ ተመስገን ደሳለኝ ሎሚ ድሕሪ ቐትሪ ከምዝተፈትሐ ታሪኩ ደሳለኝ ኣረዲኡ። ኣቐዲሙ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛ ተመስገን ደሳለኝ ብ100 ሺሕ ቅርሺ ዋሕስ ክፍታሕ ወሲኑ እኳ እንተነበረ፣ ዓቃቢ ሕጊ ነቲ ውሳነ ብምቅዋም ንጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ይግባይ ብምባሉ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ከይተፈትሐ ፀኒሑ እዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%B5%E1%8C%88%E1%8A%95-%E1%8B%B0%E1%88%B3%E1%88%88%E1%8A%9D-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%89%B2%E1%88%91\/6837179.html"} {"headline":"ዕላል ምስ ስነ ጥበባዊ ሓጎስ ወልደገብርኤል(ሲዚኒኖ)","content":"ኣዝዮም ህቡባት ኤርትራውያን ኮመዲያን ሓደ ሓጎስ ወልደገብርኤል(ሱዙኒኖ) ኣብ ቀረባ እዋን \"ሮማን\" እትብል ቀዳማይቲ መጽሓፉ ምዃና ዘመልከተ መጽሓፍ ናብ ኣንባብቲ ዘርጊሑ ኣሎ። ነዛ መጽሓፍ ምኽንያት ብምግባር፡ ምስ ሓጎስ ስለምንታይ ካብ ምውሳእ ናብ ጽሑፍ ከም ዝሰገረን ካልእ ምስኡ ዝተኣሳሰር ኣርእስቲን ኣውጊዕግናዮ ኣሎና። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%95%E1%88%8B%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%8C%A5%E1%89%A0%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%88%93%E1%8C%8E%E1%88%B5-%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%8B%B0%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%8A%A4%E1%88%8D(%E1%88%B2%E1%8B%9A%E1%8A%92%E1%8A%96)\/6835593.html"} {"headline":"“ንስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምሉእ ቅንዕና ከነተግብር ቅሩባት ኢና”ቀ\/ሚ ኣቢይ","content":"ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ ሰሉስ ምስ ቤት ምኽሪ ተዋካሎ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ መንግስቶም ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኸተመ ስምምዕ ንነባሪ ሰላምን ዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦታትን ብቕንዕናን ምሉእ ልቢን ክሰርሕ ድሉዊ ምህላዉ ገሊጾም። እቲ ኲናት ህይወት ሓያሎ ሰባት ምውሳዱ ኣሕዛኒን ክድገም ዘየድሊን ምዃኑ ዘመልከቱ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር፡ “ሕጂ ግን ንቕድሚት ክንከይድ ተሰማምዒናስ ውዕል’ውን ፈሪምና” ኢሎም። ቀጺሎም ድማ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር፡ “እቲ ተሪፉ ዘሎ መገዲ ነቲ ዝተፈርመ ስምምዕ ብቕኑዕ ልቢ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ’ዩ፡” ኢሎም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ጻንሖቶም’ውን ንሕቶታት ወልቃይትን ካልእ ኣከራኻሪ ጉዳያትን ጠቒሶም ነይሮም። ከም ዘረባኦም፡ “ንሕና ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኸድና ፍልልያትና ብሰላምን ዘተን ንምፍታሕ ኢና፡” ኢሎም። ወሲኾም ድማ፡ “እቲ ክርክር ብመሰረት ብሕጊን ስርዓትን እታ ሃገር” ክፍታሕ ምዃኑ ሓቢሮም። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዓለምለኸ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ጨንፈር ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ህይወት-ኣድሕን መድሃኒት ዝሓዛ ክልተ ናይ ጽዕነት መካይን ሎሚ ሰሉስ መቐለ ኣትየን ኣለዋ። ሎሚ 40 ቶን መድሃኒታት ሒዘን ምእታወን ዝተሓበራ መካይን ጽዕነት፡ ነቲ ብሰንኪ ሕጽረት መድሃኒታት ክሳቐ ዝጸንሐን ዘሎ ኣገልግሎት ጥዕና እቲ ክልል ኣብ ምቅላል ኣበርክቶ ክህሉዎ ብዅሉ ወገናት ተስፋ ይግበሮ። ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ተወሳኺ ኣገዳሲ መድሃኒታት’ውን ናብ ትግራይ ንምእታው ኣብ መገዲ ምህላዉ እቲ ቤት ጽሕፈት ብትዊተር ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣመልኪቱ'ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%88%89%E1%8A%A5-%E1%89%85%E1%8A%95%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8A%A8%E1%8A%90%E1%89%B0%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%AD-%E1%89%85%E1%88%A9%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%8A%93-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A2%E1%8B%AD\/6835251.html"} {"headline":"ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ጅቡቲ ሓገዝ ይጽውዑ","content":"ኣብ ጅቡቲ መዓስከር ሆልሆል ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ብዋሕዲ መግብን ማይን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ፀገማት ከምዘለውዎም ንድምፂ ኣሜሪካ ተዛሪቦም። ኣብቲ ከባቢ ዝለዓል ህቦብላ ነቲ ናይ ቴንዳ መንበሪኦም ከምዘፍርሶን፣ ነቲ ቴንዳ ዝቕይረሎም ኣካል ከምዘየለን ይገልፁ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝተሓተተ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ድማ ነቲ ትካል ገጢሙዎ ዘሎ ስእነት ቀረባት ይጠቅስ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8C%85%E1%89%A1%E1%89%B2-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8B%AD%E1%8C%BD%E1%8B%8D%E1%8B%91\/6833764.html"} {"headline":"ፕረ. ሶማል ሓሰን ሽኽ ማሕሙድ፡ ኣብ ኤርትራ ዝገበሮ ምብጻሕ ፈጺሙ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ","content":"ሓሙስ 10 ሕዳር ድ.ቀ ኣብ ኣስመራ ዝኣተወ፡ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሽኽ ማሕሙድ፡ ኣብ ኤርትራ ዝገበሮ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ፡ ቀዳም 12 ሕዳር ድሕሪ ቀትሪ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ። ኣብ ናይ ኤርትራ ዑደቱ ብፕረዚደንት ኢሳያስ ተሰንዩ ወታሃደራዊ ስልጠና ንዝቐስሙ ዘለዉ ሶማላውያን ወታሃደራት ሓይሊ ባሕሪ፡ ሓይሊ ኣየርን መካናይዝን ዝበጽሐ ፕረዚደንት ሓሰን፡ ዛጊት ግን ብዛዕባ ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ግዜ ኣየነጸረን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%88%93%E1%88%B0%E1%8A%95-%E1%88%BD%E1%8A%BD-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%88%99%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%88%AE-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%99-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%8A%E1%88%B1\/6833723.html"} {"headline":"ኣመሪካ ኣብ ኬንያ ዝተፈረመ ስምምዕ ደገፋ ብምግላጽ ቅልጡፍ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክምለስ ትጽውዕ","content":"ብቐዳም ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ወታሃደራውያን መራሕቲ ፈደራላዊ መንግስቲን ህወሓትን ዝተፈረመ ስምምዕ ምፍታሕ ዕጥቂ፡ ምምላስ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ምትግባር ዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦታት ኣመሪካ ብሓጐስ ከም እትቕበሎ ወሃብ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነድ ፕራይስ ገሊጹ። ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ደቡብ-ኣፍሪቃ ሃገሩ ዘለዋ ምሉእ ደገፍ ዝገለጸ ፕራይስ፡ እቲ ተፈሪሙ ዘሎ ስምምዕ ተግባራዊ ንክኸውን ኣብቶም ብዂናት ተሃይሶም ዘለዉ ክልላት ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራን ቅልጡፍ ምምላስ ህዝባዊ ኣገልግሎት ክግበር ኣዘኻኺሩ። ንሰራዊት ፈደራል መንግስቲ መሪሑ ውዕል ዝፈረመ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣዲስ-ኣበብ ኣብ ዝሃቦ ቃል ነቲ ስምምዕ ኣብ ምትግባር ክሰርሑ ምዃኖም ኣመልኪቱ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሎሚ መቐለ ምእታዎም ዘመልከተ ንውድብ ህወሓት መሪሑ ኣብቲ ስምምዕ ዝቐነየ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽቱ፡ “እቲ ተሪፉ ዘሎ ቀሊል ዘይኰነ መገዲ ነቲ ዝኸተምናዮ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ’ዩ” ክብል ጽሒፉ። ብፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደን ብቐዳም ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ዝተፈረመ በዓል ሽዱሽተ ኣዕኑድ ስምምዕ 1. ንዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦታት 2. ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ህወሓት 3. ምክልኻል ድሕነት ሲቪላውያን ዜጋታት 4. ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዝ 5. ምክትታል ንትግባረ ስምምዕን 6. ተራ መራኸቢ ብዙሃንን ዘጠቓለለ’ዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AC%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%A8%E1%88%98-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%8B%B0%E1%8C%88%E1%8D%8B-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%88%8B%E1%8C%BD-%E1%89%85%E1%88%8D%E1%8C%A1%E1%8D%8D-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%88%88%E1%88%B5-%E1%89%B5%E1%8C%BD%E1%8B%8D%E1%8B%95\/6833640.html"} {"headline":"ትንታነ: ኣብ ጉዳይ ስምምዕ ንዘላቒ ሰላምን ነባሪ ምቍራጽ ተጻብኦታትን ኢትዮጵያ","content":"ጌታቸው ገብረኪሮስ ኣብ ምሕላቕ ሰብኣዊ መሰላትን ኣፈታትሓ ግጭታትን ዝነጥፍ ብትምህርቱ ካብ መቐለ ዩኒቨርሲቲ ብሕጊ ዝተመረቐ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ክፍለግዝኣት ቨርጂንያ ዝነብር ኢትዮጵያዊ እዩ። ኣሃድ በንዓሚ ይብሃል፡ ኣብ ኤርትራ ዝዓበየ ኢትዮጵያዊ ኾይኑ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ትንተና ቀርኒ ኣፍሪቃን መጽናዕቲ ሚድያን ዝነጥፍ እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተፈረመ ስምምዕ ንዘላቒ ሰላምን ነባሪ ምቍራጽ ተጻብኦታትን ኣዘራሪብናዮም ኣለና። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B5%E1%8A%95%E1%89%B3%E1%8A%90-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%88%8B%E1%89%92-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%8A%90%E1%89%A3%E1%88%AA-%E1%88%9D%E1%89%8D%E1%88%AB%E1%8C%BD-%E1%89%B0%E1%8C%BB%E1%89%A5%E1%8A%A6%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/6833493.html"} {"headline":"ላዕለዎት ወታሃደራውያን መራሕቲ ፈደራላዊ መንግስቲን ህወሓትን ውዕል ናይሮቢ ፈሪሞም","content":"ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ፕሪቶሪያ ደቡብ-ኣፍሪቃ ዝተፈረመ ስምምዕ ንዘላቒ ሰላምን ነባሪ ምቍራጽ ተጻብኦታትን፡ ኣብ ናይሮቢ ክዛተዩ ዝቐነዩ ላዕለዎት ወታሃደራውያን መራሕቲ ፈደራላዊ መንግስቲን ህወሓትን ሎሚ ስምምዕ ፈሪሞም። እቲ ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ብወገን ወታሃደራዊ ኣዛዚ ህወሓት ድማ ሌ\/ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝተኸተመ ስምምዕ፡ መቓን ግዜ ምፍታሕ ዕጥቂን ምምላስ ናብ ሲቪላዊ ህይወት ምስ ህወሓት ተጸንቢሮም ዘለዉ ተቓለስቲ፡ ምምላስ ንቡር ህዝባዊ ኣገልግሎት ናብ ክልል ትግራይን ነባሪ ምቍራጽ ተጻብኦታትን ዝምልከት’ዩ። ስምምዕ ናይሮቢ ሽዱሽተ ኣዕኑድ ዝሓቘፈ ኰይኑ፤ 1. ንዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦታት 2. ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ህወሓት 3. ምክልኻል ድሕነት ሲቪላውያን ዜጋታት 4. ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዝ 5. ምክትታል ንትግባረ ስምምዕን 6. ተራ መራኸቢ ብዙሃንን ዘካተተ’ዩ። ብመሰረት ሎሚ ቀዳም ዝተኸተመ ስምምዕ፡ ናብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ተበጻሕነት ክኣቱ፡ ኣብቲ ስራሕ ንዝነጥፉ ሰራሕተኛታት ውሕሰነት ጸጥታ ክወሃብ፡ ብኽልተ ኣካላት ዝተጣየሰ ወገን ድማ ነቲ ከይዲ ክዕዘብን ምትግባሩ ክከታተልን ተሰማሚዖም ኣለዉ። ብመሰረት ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ፈደራል መንግስቲ ንክልል ትግራይ ዝኸውን ውሕስነት ጸጥታ ክህብ እንከሎ፡ ሓይልታት ህወሓት ድማ ብረቶም ኣውሪዶም ናብ ሲቪላዊ ህይወት ንምምላስ በብደረጃኡ ዝተቐመጠ ኰይኑ፡ ሰሉስ 15 ሕዳር ነቲ መስርሕ ክጅምር ተሰማምዖም ኣለዉ። ድሕሪ ናይ 15 ሕዳር ቀዳማይ ርክብ፡ ምፍታሕ ዕጥቂ በብደረጃኡን፡ ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልታት ናይቲ ቀዳማይ ርክብ ምስ ሰራዊትን ኣዘዝቶምን ክኸውን ኣብቲ ስምምዕ ተፈሪሙ ኣሎ። ንትግባረ እቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ብኣላይነትን ተዓዝብነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክኸውን እቲ ዝተፈረመ ውዕል ይጠቅስ። ሰኑይ ጀሚሩ ሎሚ ቀዳም ዝተዛዘመ ርክብ ላዕለዎት መራሕቲ ብኣላይነትን ኦሊሰጎን ኦብሳንጆን ኡሁር ኬንያታን፡ ብቐንዱ ድማ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃን ተዓዛብነት ካልኦት ኣካላትን’ዩ ክካየድ ቀንዩ። ክልቲኦም ወገናት ዝቆጻጸሩዎ መራኸቢ ብዙሃን፡ ተዃታዂ ቃና ከውግድ ድማ ስምምዕ ናይሮቢ ይሕብር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%8D%E1%8B%95%E1%88%8D-%E1%8A%93%E1%8B%AD%E1%88%AE%E1%89%A2-%E1%8D%88%E1%88%AA%E1%88%9E%E1%88%9D-\/6831847.html"} {"headline":"“ብኮንትሮባንድ ዝኣቱ መድሃኒታት ኢና ክንጥቀም ጸኒሕና” ዶ\/ር ክብሮም ገ\/ስላሴ","content":"ድሕሪ ናይ ወርሒ ታሕሳስ ምውላዕ ኲናት፡ እቲ ብንእሽቶ መጠን’ውን ይዅን ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ ዝነበረ መድሃኒታት ኣቋሪጹ ኣሎ። ምስ ምኽታም ውዕል ንዘላቒ ሰላምን ነባሪ ምቍራጽ ተጻብኦታትን ፕሪቶሪያ ተስፋ ተገይሩዎ ዝነበረ’ውን ዛጊት ከም ዘይበጽሐ ሓላፊ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ይገልጽ። ንልኡኽ መንግስቲ መሪሖም ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ዝዛራረቡ ዘለዉ ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን፡ ኣብዚ ሰሙን ወይ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ክልል ትግራይ መሰረታዊ ኣገልግሎት ክምለስ ምዃኑ ቃል ኣትዮም ነይሮም። ዝርዝር ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለታት ግን ኣይበጽሓናን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%8A%AE%E1%8A%95%E1%89%B5%E1%88%AE%E1%89%A3%E1%8A%95%E1%8B%B5-%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B1-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%83%E1%8A%92%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%8A%93-%E1%8A%AD%E1%8A%95%E1%8C%A5%E1%89%80%E1%88%9D-%E1%8C%B8%E1%8A%92%E1%88%95%E1%8A%93-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8C%88-%E1%88%B5%E1%88%8B%E1%88%B4\/6830422.html"} {"headline":"ፕረ.ሶማል ምስ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ንዝስልጥኑ ዘለዉ ሶማላውያን በጺሑ","content":"ንናይ ኣርባዕተ መዓልታት ዑደት ስራሕ ናብ ኤርትራ ዝኣተወ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሼክ ማሕሙድ፡ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ኤርትራ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ንኽልተኣዊ ምትሕግጋዝ ዝምልከት ሓባራዊ ዘተ ኣካዪዶም። ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ርክቦም፡ ንጸጥታ እቲ ዞባ ኣመልኪቶም’ውን ተመያዪጦም ኣለዉ። ሎሚ ዓርቢ 11 ሕዳር ቅድሚ ቀትሪ፡ ፕረ.ሓሰን ሼክ ማሕሙድን ምስኡ ዝመጸ ልኡኽን ብፕረ.ኢሳያስ ተሰንዮም ኣብ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ በጺሖም። ብኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ተመሪሖም ከኣ ንንጥፈታት ሓይሊ ኣየር ኤርትራን ኣብ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ምስ ዝስልጥኑ ዘለዉ ሶማልያውያን ርክብ ኣካይዱ። በቶም ሶማልያውያን ሰልጠንቲ ዝቐረበ ወታሃደራዊ ሰልፊ‘ውን ተዓዚቡ። ፕረ.ሓሰን ሼኽ ማሕሙድን ንሱ ዝመረሖን ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣብሺር ዑመር ጃምዕን ዝሓቖፈ ልኡኽ፡ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ትማሊ ሓሙስ ድሕሪ ቀትሪ’ዮም ኣስመራ ኣትዮም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%8A%A3%E1%8B%A8%E1%88%AD-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A5%E1%8A%91-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%89-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8B%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%A0%E1%8C%BA%E1%88%91\/6830324.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ 70% ክልል ትግራይ ምቁጽጻሩን ሓገዝ ይኣትው ምህላውን ይገልጽ: ክልል ትግራይ ግን ነዚ ይነጽግ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓይልታቱ ን70% ክልል ትግራይ ምቁፅፃሩን ረድኤት ከምዝተልኣኸን ሎሚ ዓርቢ ገሊፁ።ሓይልታት ትግራይ ግን ነቲ ዝተባህለ ብቅፅበት ውዱቕ ገይሮምዎ። ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቲ ዝነበሮ ክምለስ ነቲ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ከብቅዕ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን ህወሓትን ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ሓደ ካብቶም ቁልፊ ነጥብታት ሓደ እዩ። ነሓድሕዶም ዝገራጨው መግልፅታት ዝሃቡ ተዋጋእቲ ወገናት ኣብ ዋና ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ይዘራርቡ ኣብዘለውሉ እዋን እዩ። ኣማኻሪ ሃገራዊ ፀጥታ ቀዳማይ ሚንስተር ዝኾኑ ኣቶ ሬድዋን ሑሴን ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሕዎ መልእኽቲ ‘’70% ክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ሓይሊ ምክልኻል ኢትዮጵያ ይርከብ’’ኢሎም። \"ረድኤት ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኣገባብ ይውሕዝ ኣሎ’’ ምስ በሉ መግብን መድሃኒትን ዝፀዓና መካይን ናብ ከተማ ሽረ ከምዝተልኣኻን በረራ እውን ከምዝተፈቐደን ወሲኾም ገሊፆም።ኣቶ ረድዋን ሑሴን \"ረድኤት ብዝምልከት ዝኾነ ይኹን ዓይነት ዕንቅፋት የለን’’ ኢሎም ። ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንመግለፂ ኣቶ ሬድዋን ነፂጎምዎ።ኣቶ ጌታቸው ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃብዎ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ \"ሓቅታቱ ካብ ቀጢን ኣየር ይነቅል እዩ ዘሎ’’ኢሎም ። ኣስታት ሽዱሽተ ሚሊዮን ህዝቢ ዝነብረሉ ክልል ትግራይ ንጋዜጠኛታት ክፉት ብዘይምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ነቲ ዝተባህለ ብነፃ ወገን ከረጋግፆ ኣይክኣለን።ክልል ትግራይ ብሰንኪ ስእነት መግብን መድሃኒትን ከምኡ እውን ኤሌክትሪክ ፣ ባንክን ኮሚኒኬሽንን ሓዊሱ ስኣን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ይርከብ። ኣብ ትግራይ ዝመደብሩ ሰራሕተኛ ረድኤት ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ ቃል \"ሬድዋን ብትዊተር ዝዘርግሖ መልእኽቲ ውፁእ ሕሶት እዩ’’ ኢሉ።\"ናብ ከተማ ሽረ ዝኣተወ ረድኤት የለን\" ዝበለ እዚ ሰራሕተኛ ‘’ዝተፀገነ ኣገልግሎት የለን ፣ በረራ እውን ኣይተፈቐደን ብዙሓት ብጥምየት ይሞቱ ኣለው\" ኢሉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-70-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%8C%BB%E1%88%A9%E1%8A%95-\/6830597.html"} {"headline":"ባንክታት ኢትዮጵያ ምስ ምእታው ባንክታት ወጻኢ ሃገር ናብ ሓደ ክሓብሩ ሓድሽ ዝወጸ መጽናዕቲ ይሕብር","content":"ባንክታት ኢትዮጵያ ካብ ባንክታት ወጻኢ ሃገራት ንዝመጾም ተጽዕኖ ንምፅዋር፣ ናብ ሓደ ክወሃዱ ከምዘለዎም ሓደ መፅናዕቲ ኣመልኪቱ። እቲ ብማሕበር ሰብ ሞያ ቁጠባ ኢትዮጵያ ዝቐረበ መፅናዕቲ፣ እታ ሃገር ዕዳጋኣ ንናይ ወፃኢ ባንክታት ክትከፍት እንከላ ባንክታት ውሽጢ ዓዲ በቶም ዓበይቲ ባንክታት ወፃኢ ከምዝዕብለሉን ከምዝጥቕለሉን የመልክት። በዚ ድማ ናይ ምውድዳር ዓቕሞም ክዳኸም ከምዝኽእል የረድእ። ነዚ ፀገም ንምፅዋር ድማ ውህደት ብምፍጣር ናብ ሓደ ዓብዪ ባንኪ ክዓብዩ ከምዘለዎም እቲ መፅናዕቲ የመልክት። ሰብ ሞያን ሓለፍትን ባንክታት ኢትዮጵያ ግን በዚ ኣይስማምዑን። ዋና ፀሓፊ ማሕበር ባንክታት ኢትዮጵያ ኣቶ ደምሰው ካሳ፣ ነቲ ዝመፅእ ፀገም ንምፅዋር ነተን ባንክታት ተዋሃዳ ምባል ጊዜኡ ኣይኮነን ይብሉ። እኳደኣስ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ጥብቕ ዝበለ ናይ ምቁፅፃር ዓቕሚ ከማዕብልን ስርዓት ክዝርግሕን ይሓቱ። ኣቶ ቴዎድሮስ ሃይሉ ካብ ኣዋሽ ባንክ ድማ እቶም ባንክታት ተዋሂዶም ዝፈጥርዎ ነገር የለን፣ መንግስቲ ግን ፍትሓዊ ዝኾነ ናይ መወዳደሪ ባይታ ክፈጥር ኣለዎ ብምባል ተዛሪቦም። ባንክታት ወፃኢ ሃገራት ብዙሕ ፀገም ከስዕቡ ከምዝኽእሉ እውን ሓቢሮም። ነቲ መፅናዕቲ ዘቕረቡ ዶ\/ር ፈጠነ ቦጋለ ናይ ወፃኢ ሃገራት ባንክታት ናብ ኢትዮጵያ እንተኣትዮም ዘምፅእዎ ረብሓ እውን ከምዘሎ ይገልፁ። ባንክታት ወፃኢ ሃገራት ኣብ ዝመጽሉ ውድድር ስለዝውስኽ ዝርገሐ ኣገልግሎት ባንኪ ክዓቢ እዩ፣ ኣብ ከተማታት ተኣኪቦም ዘለው ባንክታት'ውን ናብ ገጠራት ክዝርግሑ እዮም ይብሉ። ነቶም ባንክታት ስዒቦም ሰብ ሃብቲ ወፃኢ ሃገራት እውን ናብ ኢትዮጵያ ከምዝመፁን በዚ ድማ ዋሕዚ ኢንቨስትመንት ከምዝውስኽን እቶም በዓል ሞያ ተዛሪቦም። ካብ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ኣቶ ፍሬዘር ኣያሌው ብወገኖም ናይ ወፃኢ ሃገራት ባንክታት ክኣትውን ኣብ ኢትዮጵያ ጨንፈር ክኸፍቱን ምስ ባንክታት ውሽጢ ዓዲ ብምሕዝነት ክሰርሑን ኣለዎም ዝብሉ መምርሕታት ከምዝተዳለው ተዛሪቦም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A3%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8D-%E1%89%A3%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-\/6830390.html"} {"headline":"ሕብረት ኣውሮጳ ኣገልግሎት ጥዕና ብግጭት ዝተጎድኡ ክልላት ንምጽጋን 31.5 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ሂቡ","content":"ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ ብግጭት ኣብ ዝተጎድኡ ክልላት ኣገደስቲ ዝኾኑ ኣገልግሎታት ጥዕና ናብቲ ዝነበሮ ንምምላስ 31.5 ሚሊዮን ዩሮ ንናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ህጻናት ኣድህን ከምዝሃበ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘውፅኦ ጋዜጣዊ መግለፂ ሓቢሩ። እቲ ሓገዝ ብግጭት ኣብ ዝተሃስዩ ክልላት ዝርከቡ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ናብራኦም ከምዘመሓይሽ እቲ መግለፂ ይሕብር። ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮጳ ሮላንድ ኮቢያ ‘’ኲናት ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዘውርዶ ኣሰቃቒ ጉድኣት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ስርዓተ ጥዕና ዝለዓለ ጉድኣት የስዕብ’’ኢሎም።\"ሕጂ ንሰላም ብምስምምዖም ንኩሎም ኢትዮጵያዊያን ንምሕጋዝ ብዝሓሸ ክንሰርሕ ንኽእል ኢና ፤እቲ ገንዘብ ድማ ዝተበተኸ ኣገልግሎታትን ዝዓነዉ ትካላት ጥዕናን ዳግም ንምስራሕ ክሕግዝ እዩ\" ኢሎም። ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰንኪ እቲ ግጭት ልዕሊ 3,000 ትካላት ጥዕና ካብ ስራሕ ወፃኢ ኮይኖም ኣስታት 700,000 ቆልዑ ድማ ግቡኡ ክታበታት ኣይረኸቡን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%88%AE%E1%8C%B3-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%89%A5%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%8E%E1%8B%B5%E1%8A%A1-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8C%BD%E1%8C%8B%E1%8A%95-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%88%82%E1%89%A1\/6830561.html"} {"headline":"ዕዳጋታት መቐለ መጠናዊ ርግኣት ይርኣዮ፣ “ዘላቕነት” ክህሉዎ ነጋዶ ይትስፈዉ","content":"ድሕሪ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ስምምዕ ንዘላቒ ሰላምን ነባሪ ምቍራጽ ተጻብኦታትን፡ እቲ ብስእነት ቀረባትን ናህሪ ዋጋታትን ክሳቐ ዝጸንሐ ዕዳጋታት ከተማ መቐለ፡ መጠናዊ ርግኣት ይርኣዮ ከም ዘሎ ኣብቲ ቦታ በጺሑ ዝተዓዘበ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ይሕብር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%95%E1%8B%B3%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%88%AD%E1%8A%A3%E1%8B%AE-%E1%8B%98%E1%88%8B%E1%89%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%85%E1%88%89%E1%8B%8E-%E1%8A%90%E1%8C%8B%E1%8B%B6-%E1%8B%AD%E1%89%B5%E1%88%B5%E1%8D%88%E1%8B%89\/6828895.html"} {"headline":"ዝርርብ ወታሃደራውያን መራሕቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ሓሙስ ክዛዘም ትጽቢት ይግበር","content":"ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ መንጎ ወታሃደራውያን መራሕቲ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ውድብ ህወሓትን ካብቲ ቀዲሙ ተመዲቡዎ ዝነበረ ገደብ ግዜ ክሳብ ሎሚ ሓሙስ ከም ዝተናውሐ፡ ንናይ ቀረባ ምንጭታት ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ጸብጺቡ። ዝርርብ ናይሮቢ ብቐንዱ ብዛዕባ ምፍታሕ ዕጥቂን ምጥያስ ናብ ሰለማዊ ህይወት ምስ ሓይልታት ትግራይ ተጸንቢሮም ዘለዉ ዕጡቓት ዝምልከት ኰይኑ፡ ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ግን፡ ካልእ ንምምላስ መሰረታዊ ኣገልግሎት ኣብ ክልል ትግራይ ዝምልከት ምይይጥ’ውን ክጠቓለል’ዩ። ብዛዕባ’ቲ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ክልቲኦም ወገናትን ዝተበጽሐ ስምምዕን ዛጊት ወግዓዊ ኣይኰነን። ከም ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ፡ ኣብ ኲናት ክልል ትግራይ ቀጥታዊ ኢድ ዘለዎምን ኣብዚ ዘተ ዘይተዓደሙን ኤርትራን ክልል ኣምሓራን ነቲ ከይዲ ብኸመይ ክጸልዉዎ ከም ዝኽእል ናይ ሓያሎ ሕቶ ኰይኑ ኣሎ። ዜና ኣገልግሎት ኣሶሽትድ ፕረስ ድሕሪ ስምምዕ ንዘላቒ ሰላምን ነባሪ ምቍራጽ ተጻብኦታትን ደቡብ-ኣፍሪቃ፡ ናብ ክልል ትግራይ ክኣቱ ተስፋ ተገይሩዎ ዝነበረ መሰረታዊ ኣገልግሎት ዛጊት ብዘይምጅማሩ ሓያሎ ኣካላት ጻውዒት የቕርቡ ኣለዉ ይብል ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%88%AD%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%88%93%E1%88%99%E1%88%B5-%E1%8A%AD%E1%8B%9B%E1%8B%98%E1%88%9D-%E1%89%B5%E1%8C%BD%E1%89%A2%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8C%8D%E1%89%A0%E1%88%AD\/6828572.html"} {"headline":"ኤምባሲ ኣመሪካ ምስ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ምትሕብባር ላዕለዋይ ስልጠና ይህብ","content":"ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ፡ ምስ ሚኒስትሪ ትምህርቲ እታ ሃገር ብምትሕብባር፡ ኣብ መዳያት ምሕደራ ዘተኰረ ስልጠና ይህብ ከም ዘሎ ካብ ኤምባሲ ዝወጸ መግለጺ ይሕብር። እቲ ብኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተመወለ ምስ ናይ ኣመሪካ ዩኒቨርሲቲታት ብምትሕብባር ዝተዋህበ ስልጠና ካብ 19 ዩኒቨርሲቲታት'ታ ሃገር ንዝተዋጽኡ ሰብ-ሞያ'ዩ ተዋሂቡ። እቲ ድሮ ን27 ኣባላት ላዕለዎት ኣመራርሕ ዩኒቨርስታት ስልጠና ሂቡ ዘሎ መደብ፡ ምስ ናይ ኣመሪካ ቴክሳስ ቴክ፡ ኦሃዮ ስቴት ዩኒቨርስቲን ኦኮልሃማ ስቴት ዩኒቨርስቲን ዝወሃብ’ዩ። ነዚ በብእብረኡ ዝቕጽል ስልጠና ብወገን ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ናይ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ባጀት ተሰሊዑዎ ምህላዉ’ውን ካብቲ ኤምባሲ ዝበጽሓና ዜና ይሕብር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%A5%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8B%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A0%E1%8A%93-%E1%8B%AD%E1%88%85%E1%89%A5\/6828618.html"} {"headline":"ፕረ.ዓለምለኸ ኮሚቴ ህይወት ኣድሕን ንግዳያት ደርቂ ክልል ሶማሌ በጺሖም","content":"ፕረዚደንት ዓለምለኸ ኮሚቴ ህይወት መድሕን ዴቪድ ሚሊባን፣ ትማሊ ረቡዕ ነቶም ኣብ ክልል ሶማሌ ግዳያት ደርቂ ኮይኖም ዘለው ሰባት ከምዝበጽሕዎም ተፈሊጡ። ኣብ እዋን’ቲ ዑደት፣ እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ዝነበሩ ሚሊባንድ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ነቲ ኣብ’ቲ ክፍሊ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣጓኒፉ ዘሎ ሓደጋ ደርቂ ንምቁጽጻር፣ ህጹጽ ሓገዝ ኣገዳሲ’ዩ ኢሎም። ብመሰረት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝዘርገሖ ሪፖርት፣ 970 ሽሕ ህዝቢ፣ ከቢድ ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልዪዎም ኣሎ። ኣብ ኣፍጋኒስታን፣ ኢትዮጵያ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሶማልን የመንን ካብ’ቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት ኣጓኒፉ ዝነበረ፣ ብሽዱሽተ ዕጽፊ ዝኸበደ ሓደጋ ወሪዱ ከምዘሎን እቲ ዜና ጠቂሱ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B4-%E1%88%85%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8C-%E1%89%A0%E1%8C%BA%E1%88%96%E1%88%9D\/6828750.html"} {"headline":"ኣብ ናይሮቢ ዝካየድ ልዝብ ሰላም ኢትዮጵያ ንሳልሳይ መዓልቲ ቀጺሉ'ሎ","content":"ኣዘዝቲ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ናይሮቢ የካይዱዎ ዘለው ዝርርብ ንሳልሳይ መዓልቲ ቀፂሉ ከምዘሎ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ብሰኑይ ዝተጀመረ ልዝብ ብዕዉት ኣገባብ ይካየድ ኣሎ ዝበሉ እቶም ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር መለስ ኣለም እቲ ዝርርብ ሎሚ ወይ ጽባሕ ከም ዝዛዘም ሓቢሮም። ኣምባሳደር መለስ ኣለም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለምለኸ ትካላትን እቲ ስምምዕ ሰላም ግብራዊ ክኸውንን ኣብ ዳግም ምጥያስን ዳግመ ህንፀትን ሓገዝ ከምዝገብሩን ኣብ ምግላፅ ይርከቡ ኢሎም። ምስ ተዛተይቲ ወገናት ሓቢርና ምስራሕና ክንቕፅል ኢና ዝበሉ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ ድማ ቀፃሊ ግብራዊነት እቲ ስምምዕ ወሳኒ እዩ ኢሎም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-nairobi-peace-talk-third-day\/6827043.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተላዕለ ሓድሽ ኲናት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ምቕታሉ ኣሶሴይትድ ፕረስ ይሕብር","content":"ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ኣብ ክልል ኦሮምያ ብዝተኻየደ ከቢድ ውግእ ናይ ዓይኒ መሰካኽር 'ደርዘናት' ክብሉ ዝገለጽዎም ሰባት ምሟቶም ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ። እዚ ኣብ ዝዓበየ ክልል እታ ሃገር ሓይሉ ዝቐፀለ ውግእ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ትግራይ ይካየድ ዘሎ ዝዓበየ ኲናት ከብቅዕ ፃዕርታት ሰላም ኣብ ዝቐፀለሉ ዘሎ እዋን እዩ። ካብ ከተማ ቢላ ንኣሶሴይትድ ፕረስ ቃሎም ዝሃቡ መሰኻኽር 2 ሕዳር 2022 ተፈፂሙ ዝበሉዎ ደብዳብ ነፋሪት ሬሳታት ፈቖዶ ወዲቖም ምርኣዮም ሓቢሮም።ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ንድሕነት ህዝቢ ኦሮሞ ጠጠው ምባሉ ክገልፅ ከሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ኣሸባሪ ውድብ እዩ ብምባል መዲቡዎ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/new-fighiting-in-oromia-region-ap\/6827064.html"} {"headline":"ኲናት ክልል ትግራይ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ፤ ንመጓዓዝያታት ገለ ከተማታት ኣመሪካ ዝዓጸወ ሰለማዊ ሰልፍታት","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ካልኣይ ዓመቱ ኣብ ዝመልኣሉ፡ ኣብ በበብይኑ ክፍለ-ሃገራት ኣመሪካን ኤውሮጳን ብተወላዶ ትግራይ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፍታት ክካይድ ቀንዩ። እዚ ድሕሪ ምፍራም ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ዝፍጸም ዘሎ ሰለማዊ ሰልፍታት፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝፍለ፡ ንሓያሎ ጽርግያታት ኣመሪካ’ውን ዝዓጸወ ስለ ዝዀነ ዝሰፍሐ ኣቓልቦ ገይሩ ኣሎ። ንተሳተፍትን ኣሰናዳእትን እቶም ሰልፍታት ኣዘራሪብና ኣለና። መዘኻኸሪ፤ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብቐንዱ ድማ ክልል ትግራይ፡ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ግፍዕታት መርመራ ዘካየደ መርማሪ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ ጸብዳብ፡ ኣብቲ ክልል ንዝተፈጸመ ጥሕሰታት ምስ “ህልቂት (ጆኖሳይድ) ዘመድብ መረዳእታ ከም ዘይረኸበ” ኣመልኪቱ ነይሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A3%E1%8B%AD-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B1-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%8C%93%E1%8B%93%E1%8B%9D%E1%8B%AB%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8C%88%E1%88%88-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8B%9D%E1%8B%93%E1%8C%B8%E1%8B%88-%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%9B%E1%8B%8A-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%89%B5\/6826888.html"} {"headline":"ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓት ኣብ ናይሮቢ ዝካየድ ዘተ ቀጺሉ'ሎ","content":"ኣብ ናይሮቢ ይካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፣ ሎሚ ሰሉስ ንካልኣይ መዓልቲ ከምዝቀጸለ ተፈሊጡ። ሕብረት ኣፍሪቃ ብመሰረት ዝዘርገሖ ሓበሬታ እቲ ሓባራዊ ኣኼባ፣ ድምጺ ጥይት ከህድእ፣ ሰብኣዊ ቀረባትን ኣገልግሎታትን ናብ ክልል ትግራይ ዝኣትወሉ ኣገባብ ባይታ ከጣጥሕ እዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ ይብል። ኣብ’ቲ ናይ ናይሮቢ ኣኼባ ይሳተፉ ካብ ሞንጎ ዘለው፣ ኣዛዚ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን፣ ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደን ከምዝኾኑ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%93%E1%8B%AD%E1%88%AE%E1%89%A2-%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%89%80%E1%8C%BA%E1%88%89-%E1%88%8E\/6825411.html"} {"headline":"ንትግባረ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኢትዮጵያ ዝምልከት ዘተ ኣብ ኬንያ ይካየድ ኣሎ","content":"ኣብ መንጎ ተወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝካየድ ዘተ ሰላም ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ኬንያ ቀጺሉ`ሎ። እቲ ኣብ ኬንያ ዝካየድ ዘሎ ዘተ-ሰላም ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ክልቲኦም ወገናት ዘሳተፈ`ዩ። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ብወገን ህወሓት ድማ ጀነራል ታደሰ ወረደ ይሳተፉ`ለዉ። እቲ ዘተ ክሳብ ረቡዕ ከምዝቕጽል`ውን ምስቲ ዘተ ቅርበት ዘለዎ በዓልስልጣን ምሕባሩ ኣሶሴይትድ ፕረስ ጸብጺቡ'ሎ። ኣጀንዳ`ቲ ዘተ፡ ውዕል ምቁራጽ ተጻብኦታት ምክትታል፡ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ፡ ከምኡ ድማ ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ክልል ትግራይን ዘጠቓልል ምዃኑ ኣሶሸይትድ ፕረስ ሓቢሩ`ሎ። ዋና ተላዛባይ መንግስቲ ሬድዋን ሑሴን፡ “ምናልባት ኣብዚ ሰሙን`ዚ ወይ ዝመጽእ ሰሙን ረድኤት ዝጸዓና መካይን ክልል ትግራይ ክኣትዋ ይፍቀደለን ይኸውን`ዩ” ኢሉ።ብመሰረት ጸብጻብ ኣሶሸይትድ ፕረስ ዋና ተላዛባይ ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ ምእታው ረድኤት ኣብቲ ልዝብ ምትእምማን ንክውስኽ ክሕግዝ`ዩ ኢሉ። ድሕሪኡ ብትዊተር ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ ድማ ኩሉ እንወስዶ ስጉምቲ ይኹን እንፍርሞ ስምምዕ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ካብ ምርግጋጽ ዝብገስ`ዩ ኢሉ። “ህዝብና ልዕሊ ኹሉ ዝደልዮ ነገር ሰላም`ዩ\" ዝበለ ኣቶ ጌታቸው፡ \"ድልየት ህዝብና ኣብ ዘዕግብ ቃልና ኣኽቢርና`ዶ ዝብል ግዜ ዝምልሶ`ዩ ዝኸውን\" ኢሉ። ኣስዒቡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ \"ናብ ውግእ ዝኣተና ውግእ ደስ ኢሉና ዘይኮነ ህዝብና ኣብ ምንባር ሕቶ ኣብ ሓደጋ ስለዝወደቐ'ዩ፡ ሕጂ ግን ስምምዕ ሰላም ድሕነትና ዘረጋግጽ እንተኾይኑ ዘይንፍትኖ\" ክብል ጽሒፉ`ሎ። ካብ መንጎ ኣላዘብቲ ሓደ ዘሎ ፕረዚደንት ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ድማ፡ ዝቕጽል ዘተና ኣብ ክልል ትግራይ ክኸውን ተስፋ ንገብር፡ ድሕሪኡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብሓባር ክጽንብሉ`ዮም ኢሉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%88%A8-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%88%9D%E1%89%81%E1%88%AB%E1%8C%BD-%E1%89%B0%E1%8C%BB%E1%89%A5%E1%8A%A6%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AC%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%8B%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%88%8E\/6823640.html"} {"headline":"ስነ ጥበባዊ ዓሊ ብራ ዓሪፉ","content":"ኣብ ታሪኽ ሙዚቃ ኢትዮጵያ ንውሕ ዝበለ ዓመታት ካብ ዝፍለጡ ስነጥበባዊያን ሓደ ዝኾነ ዓሊ መሓመድ ብራ ኣብ መበል 75 ዓመት ዕድሚኡ ትማሊ ሰንበት ዓሪፉ። ዓሊ ብራ፡ ኣብ ኣዳማ ክሕከም ድሕሪ ምጽናሕ ትማሊ ሰንበት ምሸት ዓሪፉ`ሎ። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝርከቦም ሰበ-ስልጣንን ናይ ሞያ ብጾቱን ፈተውቱን ሓዘኖም ይገልጹ`ለዉ። ቤት ጽሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ክልል ኦሮሚያ፡ ሓደ ኮሚቴ ኣቑሙ ንስነ ስርዓት ምፍናው ስራሕ ምጅማሩ ሓቢሩ`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%8C%A5%E1%89%A0%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%8B%93%E1%88%8A-%E1%89%A5%E1%88%AB-%E1%8B%93%E1%88%AA%E1%8D%89\/6823764.html"} {"headline":"'ስነ-ጥበባውያን ንኤርትራ' ዝተባህለ ንስነ-ጥበባውያን ባይታ ዘጣጥሕ ጽላል ኣብ ካሊፎርንያ ተመስሪቱ","content":"ኣብ ቀረባ ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ ዝተመስረተ 'ስነ-ጥበባውያን ንኤርትራ' ዝተባህለ ጥርናፈ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝርከቡ ስነ-ጥበባውያን፡ ዓቕሞምን ፍርያቶምን ዘውጽእሉን ዘማዕብልሉን ባይታ ንምፍጣር ዓሊሙ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ`ሎ። እቲ ኣብ ካሊፎርንያ ሕጋዊ ምዝገባ ዝረኸበ ጽላል፡ ኣብ ትሸዓተ ብሄራት ኤርትራ ኣተኩሩ ከምዝሰርሕን፡ ሳዕሪሩ`ሎ ዝበሎ ግህሰት መሰል ዋንነት ብሕጋዊ ኣገባብ ንምቅላሱ ተዳልዩ ከምዘሎ`ውን ኣፍሊጡ`ሎ። ንኣቦ መንበር`ቲ ጽላል ዓወት ዑቕባይን ካብ መስረቲ ሓደ ዝኾነ ላይነ ታደሰን ኣዘራሪብናዮም ኣለና። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%8C%A5%E1%89%A0%E1%89%A3%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%88-%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%8C%A5%E1%89%A0%E1%89%A3%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B3-%E1%8B%98%E1%8C%A3%E1%8C%A5%E1%88%95-%E1%8C%BD%E1%88%8B%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AB%E1%88%8A%E1%8D%8E%E1%88%AD%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AA%E1%89%B1-\/6820765.html"} {"headline":"ርእይቶታት ነበርቲ መቐለ ኣብ ጉዳይ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ኢትዮጵያ","content":"ብረቡዕ ኣብ ፕሪቶሪያ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ህወሓትን ድሕሪ ዝተፈረመ ስምምዕ ንዘላቒ ሰላምን ነባሪ ምቍራጽ ተጻብኦታትን ንገለ ነበርቲ ከተማ መቐለ ርእይቶታት ታቶም ሓቲትና ብዛዕባ’ቲ ዝተፈረመ ስምምዕ ዘለዎም ድጋፍ፡ ስክፍታን ምሕጽንታን ገሊጾም ኣለው። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%88%9D%E1%89%8D%E1%88%AB%E1%8C%BD-%E1%89%B0%E1%8C%BB%E1%89%A5%E1%8A%A6%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/6820751.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምስላጥ ኣገልግሎት ክልል ትግራይ ስራሕ ምጅማሩ ይሕብር","content":"ኣማኻሪ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን መራሒ’ቲ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተጓዕዘ ጕጅለ ተላዘብቲን ዝዀነ ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን ብመልእኽቲ ትዊተር ኣቢሉ ኣብ ዝጸሓፎ፡ መንግስቲ ነቲ ስምምዕ ብቕልጡፍ ኣብ ምትግባር ስራሕ ከም ዝጀመረ ሓቢሩ። መልእኽቲ ትዊተር እቲ ኣማኻሪ ጸጥታ ከም ዘመልክቶ፡ ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተመርሐን ንዅላቶም ላዕለዎት ኣካላት መንግስቲን ዘጠቓለለ ምይይጥ ሎሚ ጀሚሩ ኣሎ። እቲ ዘተ ንዳግመ-ህንጸት፡ ምሕዳስ ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ምትዕርራይ ዝምድናታትን ጠሚቱ ከም ዝሰርሕ’ውን እቲ መልእኽቲ ይሕብር። ኣብ ኢትዮጵያ ዝነጥፋ ትካላት፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ዓለምለኸ ኮሚተ ቀይሕ-መስቀልን’ውን ናብ ክልል ትግራይ ሓገዝ ንኸብጽሓ ኣብ ምድላው ከም ዘለዋ ንወኪል ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ኣመልኪተን። እንተዀነ እተን ትካላት ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ፍቓድ መምርሒ ይጽበያ ምህላወንን ሓቢረን። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ዝምድናታት ወጻኢ ክልል ትግራይ ዝዀኑ ፕሮፈሰር ክንደያ ገብረሂወት፡ ኣብቲ ዳሕራይ ዝደምሰሱዎ ናይ ትዊተር መልኽእቲ፡ “ድሕሪ ምፍራም ምቍራጽ ተጻብኦታት መጥቃዕቲ ድሮንን ከቢድ ብረትን ኣብ ማይ-ጨው ህይወት ዜጋታት ወሲዱን ንኻልኦት ኣቝሲሉን” ብምባል ጽሒፉ። መልእኽቲ ፕሮፈሰር ክንዲያ ጸኒሓ ተደምሲሳ’ያ። ድምጺ ኣመሪካ ነቲ ዝተባህለ ሓቅነቱ ብናጻ ምንጪ ከረጋግጾ ኣይከኣለን። ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፡ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ “ናብ ትስፉዎ ሰላም ዝመርሕ ስጕምቲ” ክብል ብሓጎስ ከም ዝተቐበሎ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እንተዀነ ይብል እቲ መግለጺ “እቲ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ኵሉ ሓቆፍ ንክኸውንን” ብምጽዋዕ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ይውርድ ኣሎ ዝበሎ ግፍዒ ዝግበኦ ኣቓልቦ ክወሃቦ ጸዊዑ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%8B%E1%8C%A5-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%8C%85%E1%88%9B%E1%88%A9-%E1%8B%AD%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%AD\/6820277.html"} {"headline":"ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያ ዘይተመለሱ ሕቶታትን ሻቅሎትን ከምዘለዎ ተገሊጹ","content":"ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተፈረመ ውዕል፡ ነቲ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት ንምዕራፍ ቀዳማይ ስጉምቲ`ዩ ዝብል መጎስ ረኺቡ`ሎ። እንተኾነ፡ ናብ ዘላቒ ሰላም ከምርሕ`ዶ ይኸውን ዝብል ዘይተመለሰ ሕቶታት ገዲፉ`ሎ። እቲ ውዕል ተኹሲ ብረት ጸጥ ክብል፡ ሰብኣዊ ተበጻሕነት ክፍቀድ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ፈደራላዊ ስልጣን ክቐውም ከምኡ ተዋጋእቲ ህወሓት ዕጥቆም ክፈትሑ ዝጽውዕ`ዩ። እንተኾነ ገለ ተዓዘብቲ ብታህዋኽ ዝተገብረ ውዕል`ዩ ይብሉ። ተመራማሪ ጂኦ-ፖለቲካ ፓትሪክ ፈራስ ካብ ስትራትራጂ ኣፍሪካንስ፡ ዘይተመለሱ ካብ ዝብሎም ሕቶታት ብዛዕባ ሓይልታት ኤርትራ ከምኡ'ውን ዝተፈላለዩ ዞባዊ ሚልሻታት ዘይምጥቃሶም`ዩ። ንኣብነት ይብል ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ፡ ብሚልሻታት ኣምሓራ ተታሒዙ ዘሎ ምዕራብ ትግራይ ካብ መንጎ ኣብቲ መስርሕ ሰላም ጎሊሑ ዝርኣይ`ዩ ግን ብዛዕብኡ ዳርጋ ዝተባህለ ነገር የለን ይብል። በን ሃንተር ዝተባህለ ተንታኒ ኣፍሪቃ ብወገኑ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ውዕል ኣይፈረመን፡ ስለዚ ህወሓት ነቲ ውዕል ንከፍርስዎ ክትኹትኾም ይኽእል`ዩ ይብል። ህወሓት'ውን ከምቲ ዝተባህለ ዕጥቁ ክፈትሕ ምዃኑ ዘጠራጥር`ዩ ዝበለ ድማ በንጃሚን ፐትሪኒ ኣብ ዋሺንግተን ኣብ ዝርከብ ኣህጉራዊ ኢንስቲቱት ንስትራተጂያዊ መጽናዕቲ ተመራማሪ`ዩ።በንጃሚን ህወሓት ዕጥቁ ንክፈትሕ ዝተዋህቦ ውሕስነት ጸጥታ`ኸ እንታይ`ዩ ክብል ይሓትት ። በንጃሚን ፐትሪኒ ብምስዓብ እቲ ዝዓበየ ሕቶ ድማ መጻኢ ዕድል ህወሓት`ዩ። ሓደ ኣገዳሲ ጉዳይ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዓቢይ ጽልዋ ዝጸንሖ ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ገዛኢ ፓርቲ ኮይኑ ናይ ምቕጻል ጉዳይ`ዩ ይብል ። ድሕሪ`ቲ ምፍራም`ቲ ውዕል ድሕሪ 24 ሰዓታት፡ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ መንግስቱ ካብቲ ልዝብ ኩሉ ጠለባቱ ከምዝረኸበ ተዛሪቡ። ድሕሪ`ቲ ውዕል ዝተዛረበ ሓላፊ ጉጅለ ልኡኽ ህወሓት ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ ምትእምማን ንምህናጽ ፓርቱ ሕድገታት ከምዝገበረ ድሕሪ ምእማን፡ እቲ ስምምዕ ቀልጢፉ ክትግበር ጸዊዑ`ዩ። ጸብጻብ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ እቲ ክልል ኣብ ገምገም ዕንወት`ዩ ጸኒሑ፡ ምኽንያቱ፡ ከም ጸዓት፡ መራኸቢታት፡ ስርዓት ባንኪታት ዝበሉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት የለዉን።ዳግም ንምህናጾም ድማ ዓቢይ ዕማም ይሓትት ይብል። ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ዝጠቐሶ ተመራማሪ ጉዳያት ኣፍሪቃ በን ሃንተር ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህውሓትን ዝተገብረ ውዕል ዝመርሐ ሕብረት ኣፍሪቃ ንሕጂ እፎይታ የተንፍስ ኣሎ፡ ምኽንያቱ ኣቐዲሙ ዝነበረ ጻዕርታቱ ይንቀፍ ስለዝነበረ፡ እንተኾነ ብኣግኡ ፈስታ ትገብረሉ ኣይኮነን ይብል ። ፨፨፨፨፨ አንድ ፨፨፨ ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%88%E1%88%B1-%E1%88%95%E1%89%B6%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%BB%E1%89%85%E1%88%8E%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8E-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6820614.html"} {"headline":"“ምቍራጽ ተጻብኦታት ኢትዮጵያ ናይ ቀረባ ክትትል ይሓትት” ህዩማን ራይትስ ዎች","content":"ዓለምለኻዊ ትካል ተሓላቒ መሰላት ህዩማን ራይትስ ዎች ንጉዳይ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “እቲ አብ መንጎ ፈደራል መንግስቲን ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ህወሓትን ዝተኸተመ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ንዝተፈጸመ በዳላት ብግቡእ ተኸታቲሉ ኻልእ ግፍዒ ከይፍጸም ዘዘኻኽር ኣጋጣሚ’ዩ” ክብል ገሊጹ። ተቐናቐንቲ ኣካላት ንድሕነት ዜጋታት ቀዳምነት ክህቡ ዘተሓሳስበ እቲ ትካል፡ ፈጸምቲ በድል ዝግበኦም ፍርዲ ዝረኽቡሉ መገዲ’ውን ክፍጠር ጸዊዑ። ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ መግለጺኡ፡ “ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ድሕሪ ናይ ዓሰርተ መዓልታት ዝርርብ ዝተፈረመ ስምምዕ፡ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ዝፈረሙዎ ኣብ ባይታ ከተግብሩ ይግበኦም፡” ኢሉ። ኣብቲ ትካል ምኽትል ዳይሬክተር ኣፍሪቃ ዝዀነት ካሪን ከንዛ ናቱልያ፡ “እቲ ስምምዕ ንስቅያት ሚልዮናት ህዝቢ መኸተመታ ክገብር” ዘለዋ ተስፋ ገሊጻ። ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ካልኣይ ዓመቱ ዝመልአ ኲናት፡ ብሓይልታት ፈደራል፡ ሰራዊት ኤርትራ፡ ሚሊሻ ፋኖን ሓይልታት ትግራይን ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ዘረፋን ምክያዱ ደጊሙ ኣስሚሩ። እቲ መግለጺ ድማ ወሲኹ ኣብ ምዕራብ ክልል ትግራይ፡ ብዕጡቓት ሚሊሻ ክልል ኣምሓራን ገለ እዋን ድማ ወተሃደራት ፈደራላዊ መንግስቲን፡ ኣንጻር ተወላዶ ትግራይ፡ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ዘመተ ምክያዱ በቲ ትካልን ካልእ ተሓላቒ ትካል ኣምንስቲ ኢንተርናሽናልን ምርግጋጹ ጠቒሱ ኣሎ። መግለጺ ህይማን ራይትስ ዎች ከም ዝጠቕሶ፡ ብሰንኪ’ቲ ኲናት፡ ኣስታት 13 ሚልዮን ህዝቢ ካብ ክልላት ኣምሓራ፡ ዓፋርን ትግራይን ተመዛቢሉ ንዝኸፍአ ዓለምለኸ ቅልውልላው ተቓሊዑ። እቲ ትካል’ውን ኣብቲ ኲናት ብዛዕባ ዝተቐትሉ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣመልኪቱ ኣሎ። ድሕሪ’ዚ ምኽታም ስምምዕ፡ እቲ ናብ ክልል ትግራይ ከይኣቱ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ሓገዝ ብህጹጽ ክምለስን ክቕጽልን ድማ ህዩማን ራይትስ ዎች ንፈደራላዊ መንግስቲ ጸዊዑ። መላፍንቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዀኑ ኣካላት፡ ነቲ ስምምዕ ከተግብሩ ዝጸውዐ ህዩማን ራይትስ ዎች፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ግፍዒ ዝተፈጸመሉ ቦታታት ናጻ ኣካላትን መርመርቲ ኣካላትን ከፍቅድ ኣተሓሳሲቡ። “እቲ ስምምዕ ኣብ መዳይ ተሓታትነት ዝርዝር ይጎድሎ’ዩ” ዝብለ ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ሕጂ’ውን ናብ ፍትሒ ዝረጋገጸሉ ቅኑዕ መገዲ ዕርቂ ክኸየድ ከም ዘለዎ ኣስሚሩሉ። “ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ፈጸምቲ በደል ካብ ተሓታትነት ከምልጡ ጸኒሖም’ዮም” ዝበለት ምኽትል ዳይረክተር ጉዳያት ኣፍሪቃ፡ “ተሓታትነትን ንፈጸምቲ በደል ዝበቅዕ ግቡእ ፍርዲን ኣብ ቀዳምነት ናይቲ ኣጀንዳ ክኸውን ኣለዎ” ኢላ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%89%8D%E1%88%AB%E1%8C%BD-%E1%89%B0%E1%8C%BB%E1%89%A5%E1%8A%A6%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%80%E1%88%A8%E1%89%A3-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%89%B5%E1%88%8D-%E1%8B%AD%E1%88%93%E1%89%B5%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8B%A9%E1%88%9B%E1%8A%95-%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%89%B5%E1%88%B5-%E1%8B%8E%E1%89%BD\/6820039.html"} {"headline":"\"ምርግጋጽ ነባሪ ሰላም ኣብ ኢትዮጵያ ኣጸጋሚ ክኸውን'ዩ\" ሓላፊ ፖሊሲ ወፃኢ ሕ\/ኣውሮጳ","content":"ሓላፊ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል ድሕሪ እቲ ናይ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ‘ዘፍርሕ’ ኲናት ኢትዮጵያ ዘላቒ ምቁራፅ ቶኽሲ ንምርግጋፅ ‘ኣዚዩ ከቢድ ክኸውን እዩ’ ክብሉ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ጀርመን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ብቁጠባ ዝማዕበላ ሃገራት ጉጅለ-7 ተዛሪቦም። ጆሴፍ ቦረል ኣብ ጀርመናዊት ከተማ መውንሰትር ይካየድ ኣብ ዘሎ ኣኼባ ሚንስትራት ጉዳያት ወፃኢ ሃገራት ጉጅለ-7 ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ይካየድ ዘሎ ኲናት ንከብቅዕ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝተፈረመ ስምምዕ ‘ፅቡቕ ዜና’ እዩ ኢሎም። ቦረል ቀጺሎም እንተኾነ ግን ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዘላቒ ሰላም ክበፅሑ ኣለዎም እዚ ኸኣ ቀሊል ኣይኸውንን ኢሎም። \"እቲ ኣዚዩ ዝኸበደ ነገር ምክያድ ኲናት ዘይኮነስ ምፍጣር ሰላም እዩ’’ኢሎም። ንሶም ወሲኾም ሕብረት ኣውሮጳ ኣብታ ሃገር ሰላም: ዕርቅን ዳግመ ሕውየትን ንምምፃእ ንዝግበር ፃዕርታት ንምሕጋዝ ቅሩብ እዩ ኢሎም። ቦረል እቲ ስምምዕ ሰናይ'ዩ ክብሉ ብምቕባል ኣብቲ ግጭት ገሊኦም በዝሒ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 100,000 ምዃኖም ዝገልፁዎም ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝተቐትልሉን ግዳያት ዝኸፍአ ግፍዒን ንዝኾኑ ሰባት ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ክዝክሮ ኣለዎም ኢሎም። \"ዓለም ናብ ዩክሬን ጠሚቱ ንሩሲያ እዩ ዝኸስስ ዘሎ።ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኲናት ይካየደላን ዘላን ግን ኢትዮጵያ እያ ‘’ኢሎም። ትማሊ ሓሙስ ዝጀመረ ኣኼባ ሚንስትራት ጉዳያት ወፃኢ ሃገራት ጉጅለ-7 ዛጊት ብኲናት ዩክሬን ዝተዓብለለ እዩ። ኣብ ካልኣይን ናይ መወዳእታን ኣኼብኦም እቶም ሚንስትራት ኣብ ቀረባ ኣብ ኢራን ዘጋጠመ ዘይምርግጋእን ርክባት ምስ ኣፍሪቃን ብዝምልከቱ ክዝትዩ እዮም። ሚንስትራት ጉዳያት ወፃኢ ጋናን ኬንያን ተወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓዊሱ ኣብቲ ዝርርብ ክሳተፉ እዮም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%8C%8B%E1%8C%BD-%E1%8A%90%E1%89%A3%E1%88%AA-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%8C%B8%E1%8C%8B%E1%88%9A-%E1%8A%AD%E1%8A%B8%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8B%A9-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8A-%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B2-%E1%8B%88%E1%8D%83%E1%8A%A2-%E1%88%95-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%88%AE%E1%8C%B3-\/6820557.html"} {"headline":"2ይ ዓመት ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ","content":"ሎሚ ዓርቢ መበል ካልኣይ ዓመት ሓይልታት ትግራይ ምስ ሓይልታት ፌደራል መንግስቲ፣ መላፍንቱ ክልላትን ኤርትራን፣ ውግእ ዝተወለዐላ ዕለት እያ። ተንተንቲ \"እቲ ኲናት፣ ንሞት ኣማኢት ኣሻሓትን ምፍንቓል ሚልዮናት ሰባትን ከምኡውን ብኩሎም ወገናት ግፍዒ ንክፍጸም ዕድል ፈጢሩ እዩ\"ይብሉ። ድሕሪ’ቲ ሓባራዊ ስምምዕ መግለጺ ዝሃቡ ፕረዚደንት ናይጀርያ ዝነበሩ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ \"እቲ ስምምዕ ኣብ ኢትዮጵያ ሓድሽ ምዕራፍ ከፊቱ ኣሎ' ኢሎም ነይሮም። ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ \"ንመስርሕ ሰላም ከዕንቕፉ ዝደልዩ ወገናት ኣለው\" ክብል ኣጠንቂቁ ኣሎ። ኣብ ምዕዋት’ቲ ውዕል ምቁራጽ ተጻብኦ ተራ ማሕበረሰብ ዓለም ንክዓዝዝ’ውን መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ኣብ’ቲ ረፍዩጂ ኢንተርናሽናል ዘዳለዎ መድረኽ ጋዜጣዊ መግለጺ ርእይቶ ዝሃበ ፕረዚደንት መድረኽ ሰብኣዊ መሰላት ክልል ትግራይ ኣቶ ሰለሞን መዝገቦ \"ዋላ’ውን ተስፋ ዘይብለይ እንተኾነ፣ ንዓይ እዚ ጽቡቕ ኣጀማምራ እዩ። ምኽንያቱ፣ መን እንታይ ከምዝበለን እንታይ ይገብር ከምዘሎን ሙሉእ ዓለም ይዕዘብ ኣሎ።\" ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ \"እቲ ስምምዕ ኢትዮጵያ ንቕድሚት ኣብ ምስጓም ኣዝዩ ወሳኒ’ዩ\" ኢሎም። ምምሕዳሮም ንትግባረ’ቲ ውዕል ከምዝሰርሕ’ውን ሓቢሮም። ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብ’ቲ ንክልተ ዓመታት ዝጸንሐ ውግእ ንሓይልታት ትግራይ ንምድፋእ ካብ ኤርትራ ወትሃደራዊ ደገፍ ረኺቡ ስለዝነበረ፣ ግብረ መልሲ ኣስመራ ብዛዕባ’ቲ ስምምዕ እንታይ’ኮን ይኾን ዝብል ናይ ብዙሓት ሕቶ ኮይኑ ኣሎ። ላዕለዋይ ተሓላቂ ኣብ ረፍዩጂ ኢንተርናሽናል ጨንፈር ምብራቕን ደቡባዊን ኣፍሪቃ ዓብዱላሂ ሃላሄ ጽልዋ ኤርትራ ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣነኣኢስካ ዝራኣይ ኣይኮነን ይብል። መንግስቲ ኢትዮጵያን ንትግራይ ዘመሓድር ህወሓትን፣ ቅድም ኢሎም ነናይ ገዛእ ባዕሎም ስጉምቲ ምቁራጽ ተኹሲ ገይሮም ከምዝነበሩ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ተነጻጻሪ ዕረፍቲ፣ ዝሓለፈ ነሓሰ ውግእ ዳግም ተወሊዑ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%AD-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/6820013.html"} {"headline":"ስምምዕ ምኽታም ተጻብኦታት ብኣዒንቲ ነበርቲ ኣዲስ-ኣበባ","content":"ትማሊ ረቡዕ ሕዳር 2,2022 ኣብ ፕሪቶሪያ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲን ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ውድብ ህወሓትን ድሕሪ ዝተፈረመ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት፡ ንገለ ተወላዶ ትግራይ ነበርቲ ከተማ አዲስ አበባ ኣዘራሪብና ኣለና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%89%B3%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%BB%E1%89%A5%E1%8A%A6%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%92%E1%8A%95%E1%89%B2-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3\/6818514.html"} {"headline":"ተሳትፎ ነበርቲ ሜሪላንድ ተወላዶ ትግራይ ኣመሪካዊያን ኣብ መንፈቓዊ ምርጫ ኣመሪካ","content":"ኣብ ዝመጽእ ሰሙን 8 ሕዳር 2022 ኣብ ኣመሪካ መንፈቓዊ ምርጫ ክካየድ ወፍሪ ምርጫ ብውዕውዕ ቀፂሉ ኣሎ።ኢትዮጵያዊያን ኣመሪካዊያን ጉዳዮም ከፈፅምሎም ይኽእሉ እዮም ንዝብሉዎም ኣባላት ኮንግረስ ኣመሪካ፣ኣመሓደርቲ ክፍለ ግዝኣታትን ከባቢያዊ መራሕቶምን ንምምራፅ ድምፆም ካብ ምሃብ ሓሊፎም ዝተፈላለዩ ጎስጓሳታን ወፍርታትን እውን ኣብ ምክያድ ይርከቡ። ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ኣመሪካዊያን ነበርቲ ሜሪላንድ ሓደ ውዳበ ፈጢሮም ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት ኣብ ምክያድ ይርከቡ። ኣብ ክፍለ ግዝኣት ሜሪላንድ ዝነብሩ ተወላዶ ትግራይ ኣመሪካዊያን መረፅቲ \"(Maryland Tigrayan American Voters)\" ዝብል ውዳበ ኣብ ሜሪላንድ ካብ ዝምስረት ሓደ ዓመት ከምዘቑፀረ ካብቶም ኣተሓባበርቲ ሓደ ኣቶ ኣሰፋ ዘብርኣውሩኽ ፍስሃ ይገልፅ።ናይቲ ውዳበ ወይ ማሕበር ዕላማ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ከባቢያውን ሃገራውን ምርጫታት ብምስታፍ ፅልውኦም ክብ ንምባል እዩ ይብል።ዛጊድ ዘካይድዎ ፃዕርታት ብዝምልከት ከምዚ ይብል። \"ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ኣብ ዝካየድ መንፈቓዊ ምርጫ ተወላዶ ትግራይ ኣመሪካዊያን መረፅቲ ኣጀንዳታቶም ከፈፅሙሎም ተስፋ ንዝገብሩሎም ንምምራፅ ከምዝተዳለውን ኣብ ምልዕዓል መረፅቲ ይኹን ኣብ ካልኦት መድረኻት ከምዝሳተፉን ይገልፅ።\" ከም ውዳበ ይኹን ከም ትግራዋይ ዘገድሶ ወይ ክፍትሓሉ ዝደልዮ ቀንዲ ጉዳይ ብዝምልከት ከምዚ ይብል። ቅድሚ ሎሚ ኣብ ሜሪላንድ ከምዚ ዝበለ ውዳበን ምንቅስቓስ መረፅቲን ከምዘይነበረ ብምግላፅ እቲ ናይ ክልል ትግራይ ኩነታት ምስተፈጠረ ግን ካብ ታሕቲ ብምጅማር ኣብ ካልኦት ክፍለ ግዝኣታት ብደረጃ ማሕበረሰብ ምስ ዝነጥፉ ውዳበታት ኣብ ኔቫዳ፣ኣትላንታ፣ፍሎሪዳ፣ቨርጂኒያን ዲሲን ተሓባቢሮም ይሰርሑ ከምዘለው ኣቶ ኣሰፋ ይገልፅ።እታ ናይ መወዳእታ ዕላማ ኣመሪካዊያን ተወላዶ ትግራይ መረፅቲ(US Tigrayan American Voters) ዝብል ጥምረት ብምፍጣር ብደረጃ ሃገር ኣብ ምርጫ ፅልዋ ብምፍጣር ድምፆም ንክስማዕ ምግባር እዩ ይብል። መንግስቲ ኢትዮጵያን ንትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ህወሓትን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ምፍርራሞም ከመይ ከምዝሪኦን ኣብ ናይ መጻኢ ምንቅስቓሶም ዝፈጥሮ ፅልዋ እንተሃሊዩን ተሓቲቱ ካብቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ዝመፅእ ዝኾነ ይኹን ብዘየገድስ ምንቅስቓሶም ከምዝቕፅልሉ ይሕብር። እቲ ውዳበ ቅድሚ ሎሚ ነበርቲ ሜሪላንድ ንዝኾኑ ተወላዶ ትግራይ ብምዕዳም ኣኼባታትን ሰልፍታትን ከምዘካየደ ኣቶ ኣስፋ ይገልፅ።እቲ ውዳበ 15 መራሕትን 165 ናይ ማሕበረሰብ ኣተሓባበርትን ከምዘለዎ ኣቶ ኣሰፋ ዘብርኣብሩክ ገሊፁ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%88%B3%E1%89%B5%E1%8D%8E-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%88%8B%E1%8A%95%E1%8B%B5-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B6-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8D%88%E1%89%93%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB\/6818537.html"} {"headline":"መራሕቲ ሃገራት ዓለም ንስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያ ንኢዶም","content":"መራሕቲ ዓለም ብዛዕባ'ቲ ትማሊ ዝተበጽሐ ውዕል ሰላምን ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ኢትዮጵያ ጥንቁቅ ዝኾነ ተስፍኦም ይገልጹ`ለዉ። ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነድ ፕራይስ \"ክልቲኦም ወገናት ናብዚ ስምምዕ ክበጽሑ ዝገበርዎ ቆራጽነት ነድንቕ” ኢሉ። ንሱ ስዒቡ ኣመሪካ ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ መስርሕ ሰላም ኣብ መዓልብኡ ክበጽሕ ምሕጋዛ ክትቅጽል`ያ ኢሉ። ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብወገኑ፡ ትማሊ ብትዊተር ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ ንምፍራም ምቁራጽ ተጻብኦታት ብሓጎስ ከምዝተቐበሎ ድሕሪ ምግላጽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ሰላም ንክመጽእ ንዝገበሮ ሓያል ጻዕሪ`ውን ኣመጉሱ። ሪፓብሊካን ሰነተር ጂም ሪች ድማ፡ ሚልዮናት ካብ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዝተዓጸዉሉን ድሕሪ እዚ ኹሉ ሞትን ግፍዕን መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ንምቍራጽ ተጻብኦታት ተሰማሚዖም ኣለዉ ኢሉ። ኣቦ-መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ብወገኑ፡ ክልቲኦም ወገናት ናብዚ ስምምዕ ብምብጽሖም እንቋዕ ኣሐጎሰኩም ድሕሪ ምባል፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቶም ክልተ ወገናት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ሰላም ኣብ ምምጻእ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ድጋፉ ቀጻሊ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንቶኒ ጉተረዝ`ውን ነቶም ተላዘብትን ኣሳላጥን ኣብ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ብምብጽሖም ሞጉሱ`ሎ። ጉተረዝ ትማሊ ኣብ ኒው ዮርክ ንሪፖርተራት ክገልጽ ከሎ “ ንዘይተደረተ ቐረብ ሰብኣዊ ረድኤትን ዳግመ ምጅማር ህዝባዊ ኣገልግሎታትን እዚ ሕጂ ዝተገብረ ስምምዕ ቀዳማይ ወሳኒ ስጉምቲ`ዩ” ኢሉ። ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ሓላፊ ርክባት ወጻኢ ጆሰፍ ቦረል ድማ፡ ቅልጡፍ ትግባረ`ቲ ስምምዕ ኣገዳሲ`ዩ ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ኩሉ ዝተጎድአ ከባብታት ሰብኣዊ ተበጻሕነትን ምጅማር መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚርሉ። እዚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተፈረመ ስምምዕ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ልክዕ ኣብ ክልተ ዓመቱ`ዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8A%A2%E1%8B%B6%E1%88%9D\/6818650.html"} {"headline":"ተዛተይቲ ዘተ-ሰላም ኢትዮጵያ ንምቁራጽ ተጻብኦታት ተሰማሚዖም","content":"ብሕብረት ኣፍሪቃን መሪሕነት ኦሊሰጎን ኦባሳንጆን ኣብ ፕሪቶሪያ ክካየድ ዝቐነየ ዘተ ሰላም ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዝተዛዘመሉ፡ ክልቲኦም ወገናት ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ፈሪሞም። ነቲ ስምምዕ ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን ብወገን መሪሕነት ትግራይ ድማ ኣይተ ጌታቸው ረዳ'ዮም ፈሪሞሞ። እቲ ብተዓዛብነት ኣመሪካ፡ ሕቡራት ሃገራትን ውድብ ኢጋድን ክካየድ ዝቐነየ ዝርርብ ሰላም፡ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ካብ ዝውላዕ ካልኣይ ዓመት ይመልኣሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ። ኦባሳንጆ ኣብቲ ዝሃቡዎ መግለጺ፡ እቲ ስምምዕ መርኣያ ኣፍሪቃዊ ሽግራት ብኣፍሪቃዊ ፍታሕ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ክልቲኦም ወገናት ንምቍራጽ ተጻብኦታት ምስምማዖም ገሊጾም። እቶም ክልተ ኣካላት ንምሕዳስ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ሓገዝ ነቶም ብዂናት ዝተሃስዩ ወገናት፡ ምቍራጽ ንሲቪላዊ ዒላማ ዝገበረ ጎንጺ ደው ከብል ከም ዝተሰማምዑ ገሊጾም። “እዚ ናይ ፈለማ ናይቲ ከይዲ እምበር ናይ መወዳእታ ኣይኰነን” ዝብሉ ፕረዚደንት ነበር ኦብሳንጆ፡ ኵላቶም ኣካላት ንነባሪ ፍታሕ ዘድሊ ምትሕብባር ክገብሩ ጸዊዖም። ኦባሳንጆ ኣብ መግለጺኦም ኣቓልቦ ዓለም ሕጂ ኲንዮ እቲ ምፍራም ስምምዕ ናብ ትግባረ ክሰግር ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ እቶም ተዛተይቲ ኣካላት ንዅላቶም ኢትዮጵያውያን ዘዅርዕ ስራሕ ምስራሖም ሓቢሮም። ንፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያው ወኪሎም መደረ ዘስምዑን ነቲ ጕጅለ ተዛታዪ ዝመርሑን ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን ብወገኖም፡ ንዅላቶም ኣካላት ድሕሪ ምምስጋኖም፡ እቲ ስምምዕ ሓደ መርኣያ ንጉዳያት ኣፍሪቃ ብኣፍሪቃዊ ዘተ ምዃኑ ኣስሚሮም። ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን ኣብ መገለጺኦም ነቲ ብሰንኪ ኲናት ዝወረደ ዕንወት ድሕሪ ምጥቃስ፡ ተዓዘብቲ ኣካላት ንኢትዮጵያ ካብቲ ዝኣተወቶ ኣስካሕካሒ ዓዘቕቲ ንምውጻእ ኣበርክቶ ክገብሩ ጸዊዖም። ኣምባሳድር ሬድዋን ኣብ መደረኦም ናይ ደገ ምትእትታው’ውን ጠቒሶም ነይሮም። እንተዀነ ሕጂ’ውን ንቕድሚት ንምኻድ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ምዃኖም ሓቢሮም። ንመሪሕነት ክልል ትግራይ ወኪሎም መደረ ዝሃቡ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብወገኖም፡ ኣብቲ ዝሓለፈ 10 መዓልታት ዝርርብ ሰላም ብዙሕ ውርደ፡ ደይብ ከም ዝነበሮ ድሕሪ ምግላጽ፡ ሕጂ ነቲ ስምምዕ ምፍራሞም ሓደ ጽቡቕ መርኣያ ምዃኖም ሓቢሮም። ኣይተ ጌታቸው ኣብ መግለጺኦም፡ ብሰንኪ’ቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ዝወረደ ከቢድ ሃስያ ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ ስምምዕ ምፍራሙ ንቕድሚት ናይ ምኻድ ዘለዎ ተስፋ ገሊጾም። \"እዚ ዜና ንዅሉ ደላይ ሰላም ዘሕጉስ’ዩ፡\" ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፡ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ዝፈረሙዎ ስምምዕ ኣብ ምትግባር ክሰርሑ ጸዊዖም። ኣይተ ጌታቸው ኣብ ዘረባኦም፡ ቀንዲ ግዳያት ናይቲ ኲናት ደቀንስትዮን ህጻናትን ብምዃኖም ድሕሪ ምጥቃስ፡ ንውሓት ናብ ዘተ-ሰላም ንምብጻሕ ዝወሰደ መገዲ ኣተሓሳሳቢ’ዩ ክብሉ ጠቒሶም። እቲ ቀንዲ ኣተኵሮ ክኸውን ዘለዎ ድማ ኣብ ትግባረ ናይቲ ተፈሪሙ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ክኸውን ዘለዎም ተስፋ’ውን ኣመልኪቶም። ኣይተ ጌታቸው ኣብቲ ኲናት ተራ ዘለዎም ኣካላት ብዙሓት ምዃኖም ብምጥቃስ ድማ ነቶም ኣካላት ነቲ ስምምዕ ከይዕንቅፉ ዘድሊ መጠንቀቕታት ክግበር ጸዊዖም። ክልቲኦም ኣካላት ዝተሰማምዑሎም ነጥብታት ኣብቲ እዋን ስምምዕ ከም ዝተፈረሙ ነዞም ዝስዕቡ የጠቓልሉ፤ 1.ምቍራጽ ተጻብኦታት 2.ዘላቒ ምቍራጽ ተዅሲን ክልተ ዓመት ዝወሰደ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ምኽታምን 3.ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዝፈሰሰ ደምን ንዅሉ ወገናት ከም ዝሃስየ ብምርዳእ፡ ኪንዮ ግጭት ዝኸዱሉ መገዲ ምንዳይ 4.ንመሬታዊ ሓድነትን ልኡላውነት ኢትዮጵያ ብምእማን ብቕዋም’ታ ሃገር ምቕባል። ስለዚ ኢትዮጵያ ሓደ ሃገራዊ ሰራዊት ምክልኻል ጥራይ'ዩ ዘለዋ።ብዛዕባ ምፍታሕ ዕጥቅን ምጥያስን ዳግመ-ናብ ሕብረተሰብ ምጽንባርን ተዋጋእቲ ህወሓት'ውን ተሰማሚዕና-ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ኣብ ግምት ብምእታው። 5.መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ምምላስን ናብ ኵሉ ምብጻሕን ምስ ዓለማውያን ትካላት ምትሕብባር ከዕዝዝ 6.ኣብ ክልል ትግራይ ብቕዋማዊ ኣገባብ ምስግጋር ናብ ተሓታትነት፡ ፍትሒን ሕውየትን ዘምርሓሉ መገዲ ምስራሕን ኣብ ትግራይ መሰጋገሪ መቕን ፍትሒ ምቝም 7.ሓላፍነት ንምውሳድን ምትግባርን ምቍራጽ ንጽልኢን ምትዅታዅን ዝደፍእ ፕሮፓጋንዳ 8.መንግስቲ ኢትዮጵያ ንቑጠባዊ ሕወየት ዝኸውን ኣብ ምትግባር ምውፋር፣ ንምምላስ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክሰርሕ 9.ነቲ ስምምዕ ሰላም ዘሳለጡ ኣካላት፣ ብቐንዱ ድማ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ምምስጋን 10.ንመንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ነቲ ዝገበረሎም ኣሳልጥነት ምምስጋን 11.ንህዝቢ ኢትዮጵያ ነቲ ዘተ ሰላም ክካየድ ብትዕግስቲ ስለ ዝተኸታተለን ድጋፉ ምርኣዩን 12. ኵላቶም ንኹሎም መሓዙት ኢትዮጵያን ዲፕሎማትን ኣካላት መራኸቢ ብዙሃን፡ ነቲ ዝዓነወ ትሕተ-ቅርጺ ኣብ ምምላስ ድጋሮም ከርእዩ ምጽዋዕ ዝብሉ ነጥብታት ዝሓዘ'ዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%89%B0%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8D%88%E1%88%AA%E1%88%9E%E1%88%9D\/6816965.html"} {"headline":"መበገሲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ብዝሒ ሕማም ዓሶ ተርእዮ ሓድሽ ዓይነት ጣንጡ ክኸውን ከምዝኽእል ተገሊጹ","content":"መበገሲ ኣብ መጀመሪያ እዚ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ዝለዓለ ለበዳ ሕማም ዓሶ ሓዱሽ ዓይነት ጣንጡ ክኸውን ከምዝኽእል ተመራመርቲ ገሊፆም።ገለ ክኢላታት ከምዝሓበሩዎ እዚ ሓዱሽ ክስተት ነቲ ሕማም ኣብ ምክልኻል ንዓመታት ዝተመዝገበ ምዕባለ ኣብ ፈተና ዘውድቕ እዩ ክብሉ ስግኣቶም ገሊፆም። እዚ ዓይነት ጣንጡ ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ህንዲ ይርኣይ ዝነበረ'ኳ እንተኾነ ኣብ ቀረባ ግን ኣብ ገለ ክፋላት ኣፍሪቃ ይረአ ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ።እዚ ሓዱሽ ዘርኢ ጣንጡ ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ጅቡቲ ብዝለዓለ ደረጃ ዝተርኣየ ምውሳኽ እቲ ሕማም ምኽኒያት ምዃኑ ጥርጣረ ኣሎ።እቲ ምስፍሕፋሕ ሕማም ውድብ ጥዕና ዓለም እታ ጣንጡ ከይሰፍሕ ተበግሶታት ክወስድ ኣኽኢሉዎ እዩ። እቲ ኣሰካፊ ነገር ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ስራሕ ዘሎ ቀንዲ ኣሰራርሓ ምቁፅፃር ጣንጡ ኣንፃር እዚ ሓዱሽ ዓይነት ጣንጡ ብዝግባእ ዘይክሰርሕ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት እዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/new-type-of-mosquito\/6816942.html"} {"headline":"ፈለግ ኒል ኣብ ሓደጋን ንሓደጋን","content":"ኣብቲ ብንውሓቱ ካብ ዓለም ካልኣይ ዝዀነ ፈለግ ኒል፡ ኣስታት ፍርቂ ቢልዮን ህዝቢ ህይወቶም ኣብኡ ይምርኰስ። ለውጢ ክሊማ፡ ሰብ-ሰርሖ ምትእትታውን ካልእ ምኽንያታትን ግን ሕጂ ነዚ ፈለግ ኣብ ሓደጋ የእትዉ ኣለዉ። ፈርዖናውያን ንፈለግ ኒል፡ ፈትሊ ህይወቶም ስለ ዝነበረ፡ የምልኹዎ’ዮም ነይሮም። ሕጂ ግን ኣብቲ 6500 ኪሎ-ሜተር ወይ ድማ 4000 ማይላት ዝዝርጋሕ ፈለግ ደውል ተጠንቀቕ ይሃርም ኣሎ። ጋዜጠኛታት ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ካብ ኡጋንዳ ክሳብ ግብጺ ኣብ ዝገበሩዎ ዳህሳስ እቲ ማይ ይንኪ፡ ንዕኡ ዝምግቡ ወሓይዝ ድማ እናጎደሉ ይኸዱ ከም ዘለዉ ሓቢሮም። ኣብ ግብጺ ኣብ ገማግም ፈለግ ኒል ሕርሻ ዘካይዱ ዜጋታት ብብእዋኑ ዝጎድል ዘሎ ፍርያምነት እቲ መሬት ይጎድል ከም ዘሎ ይሕብሩ። ኣብ ሱዳን ን17 ወለዶ ኣብቲ ፈለግ ዝተመርኰሰ ህይወት ከም ዝመርሑ ዝሓበረ መሓመድ ጁማ፡ ነቲ ኣብ ህይወቱ ዝተዓዘቦ ለውጢ ክቕበል ድሉው ዘይምዃኑ ይሕብር። ኣብ ኡጋንዳ እትርከብ ክርሲቲን ካለማ ድማ፡ ካብቲ ፈለግ ዝፍልፍል መጠን ጸዓት መብራህቲ እናነከየ ምምጽኡ ትገልጽ። ዋሕዚ ፈለግ ኒል በበእዋኑ ክጎድል ምጽናሑ ኣየከራኽርን። ኣብ ዝሓለፈ ፍርቂ ዘመን ጥራይ መጠን ሓይሊ ናይቲ ዝፈስስ ማይ ብሰለስተ ሽሕ ኲቢክ ሜተር ጎዲሉ። ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ በብእዋኑ ኣብ ደንደስ እቲ ፈለግ ዝርከብ ፍርያም ሓመድ ተባሕጒጉ ክውስደን ንእቶት ከጕድልን ይርአ ኣሎ። ቀንዲ ምንጪ ፈለግ ኒል ዝዀነ ቀላይ ቪክቶሪያ’ውን፡ ብደርቂን ምህፋፍን፡ መጠን ናብቲ ፈለግ ዝምግቦ ማይ እናጎድለ ክመጽእ ጸኒሑን ኣሎን። ካብ ተፋሰስ ፈለግ ኒል እተቶም ዝምርኰሱ ዜጋታትን ነቲ ከባቢ ብቐረባ ዝዕዘቡን ከም ዝብሉዎ፡ እቲ ቀንዲ ጸገም እቲ ፍርያም መሬት ተባሕጒጉ ይውሰድ ምህላዉ’ዩ። ንምኽልካሉ ዝተገብረ ተደጋጋሚ ፈተነ ድማ በብእዋኑ ድበት መሊኡ ነቲ ዝተሓስቦ ዕላማ ከቓንዕ ከም ዘጸግም ይምስክሩ። ብሰንኩ ድማ እቲ ፍርያም ጸሊም ሓመድ ቀጻሊ ይውሰድ ኣሎ። ጕጅለ መጽናዕቲ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘመልክቱዎ፡ እቲ ካልእ ሽግር፡ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝውሕዝ ማይ’ዩ። እዚ ጨዋም ማይ ናብቲ ፈለግ ምስ ተጸንበረ፡ ንህይወት እቲ ከባቢ ኣመዛቢሉ፡ ኣትክልቲን ኣሕምልቲን ክቐትል ምጅማሩ እቶም ሓረስቶት ይገልጹ። ብሰንኩ ድማ ኣብ ደንደስ እቲ ፈለግ ዘልምዑዎ ዝነበሩ ኣሕምልቲ ብጨው ተበሊዑ ንፍርያት መሸጣ ክኸውን ከም ዘጸግም ይሕብሩ። ነቲ ዝካየድ ዘሎ ብከላ ንምጕዳል፡ ብሕቡራት ሃገራት ዝተደገፈ፡ ብሶላር ዝሰርሕ ምጽራይ ማይ ይካየድ ኣሎ። እዚ ግን ነባሪ ፍታሕ ኣይኰነን። ንሕርሻ ዝኸውን ቦታታት በብእዋኑ እናተበልዐን ካብ ጥቕሚ ወጻኢን እናዀነ ክመጽእ ጸኒሑ። እዚ ነታ 104 ሚልዮን ዜጋታት ዘለዋን ምንጪ ማያን ካብቲ ፈለግ ዝዀነት ግብጺ ሕማቕ ዜና’ዩ። ንጐረቤት ሱዳንን 45 ሚልዮን ህዝባን’ውን እቲ ዜና ማዕረኡ ኣሻቓሊ’ዩ። ብድምሩ ካብ ተፋሰስ ፈለግ ኒል 10 ሃገራት ተጠቀምቲ ኢየን። ከከም ደረጃኡ ድማ ኵላተን ክጽለዋ ንቡር’ዩ። ኢትዮጵያ፡ ንፍርቂ ካብ 110 ሚልዮን ህዝባ ካብዚ ፈለግ ብዝምንጩ ሓይሊ መብራህቲ ክትህብ ተስፋ ትገብር። እዚ ናይ ሞትን ህይወትን ምርጫ’ዩ። “ኣምላኽ ዝሃበና ጸጋ” ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝገለጾ፡ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ ግን ምምላእ ሓጽቢ ሕዳሰ ንሃገሩ ዓቢ ኣሉታዊ ጽልዋ ክህሉዎ ምዃኑ ይነግር። ትም ኢሉ ከም ዘየርኢ’ውን የጠንቅቕ። ካልእ ንየማነ-ጸጋም እዚ ፈለግ ተዋሲኖም ንዝነብሩ ዜጋታት ሃገራት ቀጻሊ ሻቕሎት ዘሎ ተደጋጋሚ ምምላእ ውሕጅን ዘይንቡር ዝናብን’ዩ። ብሰንኪ’ዚ፡ ብሕልፊ እኳ ኣብ ሱዳን ህይወት ኣማኢት ሰባት ወሲዱ ንቐጻሊ ምጕስቓል ኣቓሊዑ ይርከብ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%88%E1%88%88%E1%8C%8D-%E1%8A%92%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B%E1%8A%95\/6816823.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ሰብ-ዋኒን መሸጣ ወርቂ ንብረቶም ከም ዝተወስደ ተሓቢሩ","content":"ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ከባቢ ፒያሳን መርካቶን ዝርከቡ ትካላት ንግዲ ወርቂ 21 ጥቅምቲ 2015 ወይ 31 ጥቅምቲ 2022 ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ሲቪል ክዳን ዝተኸድኑ ፖሊስ መጺኦም ንብረት እቲ ትካላት ወሲዶም፡ ሰራሕተኛታትን ወነንቲ እተን ትካላትን ከም ዝወሰዱዎም ስሞም ክዕቀበሎም ዝሓተቱ ምንጭታት ካብ ኣዲስ ኣበባ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ንድሕነቶም ስሞም ክዕቀበሎም ዝሓተቱ ምንጭታት፡ ዛጊት በጺሖሞ ብዘለዉ ሓበሬታ መብዛሕትኦም እቶም ንብረቶም ዝተወስደን ትካላቶም ዝተዓጽወን ተወላዶ ትግራይ’ዮም። ከም ሓበሬታ ናይ ቀረባ ምንጭታት፡ እቶም ነቲ ተግባር ዘካየዱ ኣካላት ናይ ቤት ፍርዲ ወረቐት ኣየቕረቡን። እቶም ንብረት ዝወስዱ ዝነብሩ ኣካላት እቲ ንብረት ናብ ባንክ ይውስድ ከም ዘሎ’ዮም ገሊጾም። ብዛዕባኡ ግን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃቡን። ልክዕ ቍጽሪ ናይቶም ንብረቶም ዝተወስደሎምን ትካሎም ዝተዓጽዎምን ዜጋታት ንምፍላጥ እኳ እንተ ዘይተኻእለ፡ ኣብ ከባቢ ፒያሳ ጥራይ ከባቢ 20 ትካላት ተዓጽየን ከም ዘለዋ ኣብቲ ቦታ ዝበጽሑ መሰኻኽር ዓይኒ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ድምጺ ኣመሪካ ግብረ መልሲ ንምስምዕ ናብ ኣሃዱ መራኸቢታት ፖሊስ ኣዲስ-ኣበባን ፈደራልን ንምርካብ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይሰለጦን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%8B%8B%E1%8A%92%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%88%B8%E1%8C%A3-%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%82-\/6816698.html"} {"headline":"ዘተ-ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ይቕጽል: ቀ\/ሚ ብዛዕባ ናይ ደገ ምትእትታው ይጠቅስ","content":"ሰሉስ 25 ጥቅምቲ ኣብ ፕሪቶሪያ ደቡብ-ኣፍሪቃ ዝጀመረ ዘተ-ሰላም ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መሪሕነት ክልል ትግራይን በቲ ፈለማ ወጺኡ ዝነበረ መደብ ሰንበት ክዛዘም እኳ እንተ ተሓስበ፡ ክሳብ ሎሚ ይቕጽል ኣሎ። መወዳእታ ናይቲ ዘተ-ሰላምን ዛጊት ብዛዕባ ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለታትን ግን ንህዝቢ ግሉጽ የሎን። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ እቲ ዘተ ካብ ዝጅምር ንፈለማ እዋኑ ንማዕከናት ዜና ዝተዛረበ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ምስ ናይ ቻይና ቴለቪዥን China Global Television Network (CGTN) ኣብ ዝገበሮ ሓጺር ምልልስ፡ ኣብቲ ዝርርብ ሰላም ከቢድ ናይ ደገ ምትእትታው ኣሎ ክብል ተዛሪቡ። “ብሰንኪ እቲ ብየማንን ጸጋምን ዘሎ ናይ ደገ ጸቕጥታት ኣዝዩ ከቢድ’ዩ” ዝበለ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኢትዮጵያውያን ጉዳዮም ባዕሎም ክፈትሑ ከም ዝኽእሉ ወሲኹ ገሊጹ። ቀዳማይ ሚኒስተር ብዛዕባ’ቲ ዝጠቐሶ ናይ ደገ ዝበሎ ምትእትታውን ጸቕጢን ተወሳኺ መብርሂ ኣይሃበን፣ ኣስማት እቶም ጸቕጢ ዝገብሩ ዝበሎም ኣካላት’ውን ኣይረቝሐን። ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ ወሃብ-ቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ዝዀነ ነድ ፕራይስ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ዘተ-ሰላም ምቕጻሉ ሓደ ጽቡቕ መርኣያን ናይ ምዝርራብ ድሌትን ምዃኑ ኣመልኪቱ። እቲ ወሃብ-ቃል ወሲኹ፡ ኣብ ባይታ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዜጋታት ዝወርድ ዘሎ ግፍዒን ምክልባትን ኣመና ከም ዘሻቕል ድሕሪ ምሕባር፡ ሕጂ’ውን ንዅላቶም ኣካላት ናብ ሰላማዊ ዘተ ከምርሑ ጸዊዑ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%89%A5%E1%8B%9B%E1%8B%95%E1%89%A3-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%B0%E1%8C%88-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8A%A5%E1%89%B5%E1%89%B3%E1%8B%8D-%E1%8B%AD%E1%8C%A0%E1%89%85%E1%88%B5\/6815094.html"} {"headline":"ኤርትራ: ሕርሻ ድንሽ ኣብ ቆላ","content":"ዘርኢ ድንሽ፡ ብመጠኑ ዝሑል ኵነታት ኣየር ጥራይ ስለ ዝጻወር፡ ኣብ ከበሳታት ጥራይ’ዩ ዝውቱር ጸኒሑ። ንሱ’ውን ኣመና ቍሪ ቅድሚ ምጅማሩ ጥራይ ክዝራእ ስለ ዘለዎ ናቱ ውሱንነት ኣለዎ። ሚኒስተሪ ሕርሻ ኤርትራ እምበኣር ነዚ ዘሎ ጋግ ኣብ ምጽባብ ኣብ መታሕት ዝፈርየሉ ፈተነታት የካይድ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%95%E1%88%AD%E1%88%BB-%E1%8B%B5%E1%8A%95%E1%88%BD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%86%E1%88%8B\/6813220.html"} {"headline":"ርእይቶ ነበርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ዘተ ሰላም ኢትዮጵያ","content":"ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ክልል ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ይካየድ ዘሎ ፈላማይ ዘተ ሰላም ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ኲናት ከብቅዕ እዩ ዝብል ተስፋ ኣሕዲሩ ኣሎ። እቲ ዝርርብ ንመራኽቢ ማዕኸናት ዕፀው እንተኾነ እውን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ማሕበረሰባት ኢትዮጵያ ግን እቲ ደማዊ ግጭት ዘብቅዕ ስምምዕ ክብፃሕ ተስፋ ኣለዎም። ኣብ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝርከብ ቤት መግቢ ኲዊን ሸባ(Queen Sheba) ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ብዘየገድስ መግብን ባህልን ዝኽበረሉ እዩ። ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን ሓይልታት ትግራይን ቅድሚ ክልተ ዓመታት ውግእ ክልዓል ከሎ ወናኒ ናይቲ ቤት መግቢ ወንዱ ተስፋየ ምስንባዱ ይገልፅ። \"ንዓይ ሃንደበታዊ እዩ ኮይኑኒ።ሕጂ ግን እቲ ኲናት ከብቅዕ እዩ ዝብል ተስፋ ኣለኒ።ኣብታ ሃገር ሰላም ክሰፍን ኣለዎ።\" ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ እቲ ኲናት ልዕሊ 5.2 ሚሊዮን ሰባት ጥምየት ገጢሙዎም ኣለው ይብል። ማሕበረሰብ ዓለም'ውን እቲ ውግእ ከብቅዕ ድፍኢቱ ኣሐይሉ ኣሎ። ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዘተ ሰላም ኣብ መንጎ ተዋጋእቲ ሓይልታት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ይካየድ ኣሎ። ድምፂ ቶኽሲ ክጠፍእ ንተስፋየ ሓዊሱ ንብዙሓት ዳያስፖራ ኢትዮጵያዊያን ተስፋ ሂቡዎም ኣሎ። \"ኣብ ኢትዮጵያ ይኸውን ዘሎ ንምፍታሕ ሰላማዊ ስምምዕ ክህልው እዩ ትፅቢተይ።ሓቂ እዩ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዙሓት ኣባላት ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣለና።ሕብረት ኣፍሪቃ እውን ብዓብይኡ ተሓዊሱዎ ኣሎ።\" ኣብ ዩኒቨርስቲ ምዕራብ ኬፕስ ፖለቲካዊ ተንታኒት ዝኾነት ናምህላ ማሻንዳ ነታ ክፍለ ኣህጉር ዝትንክፍ ግጭት ስለ ዝኾነ ብኣፍሪቃ ዝምራሕ ፍታሕ የድሊ ብዝብል ትሰማማዕ። \"ሓይልታት ኤርትራ ስለዝኣተውዎ ናይ ውሽጢ ግጭት ምዃኑ ዘብቅዐ ይመስለኒ።ኣብ ፈላማይ ማዕበል እቲ ውግእ ኣሽሓት ስደተኛታት ናብ ጎረቤት ሱዳን ሃዲሞም እዮም።ንሱ ንርእሱ ዞባዊ ግጭት ክኸውን ገይሩዎ እዩ ምኽኒያቱ ሱዳን ተሓዊሳትሉ እያ።\" እዮብ ብስራት ኣብ 2022 ካብ ሃገሩ ወፂኡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንግዲ ክጅምር ዘገደዶ ዘይምርግጋእ እዩ።እዮብ ኣብ ቀረባ ዘጋጠመ ግጭት ንምርኣይ ዘፀገመሉ እንተኾነ እውን ኣብ ድሕሪ ቤቱ ዘተ ሰላም ይካይድ ምህላው ግን እፎይታ ይስምዖ። \"ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ፅልዋ ኣለዋ።እቲ ዝርርብ ኣብዚ ምክያዱ ገለ ፅቡቕ ውፅኢት ክህልዎ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።እቲ ትኽክለኛ ቦታ እዩ ዝብል እምነት እውን ኣለኒ።ነዚ ክትእንድ ትኽእል ካልኣይቲ ሃገር ክሓስብ ኣይክእልን።\" ከም ማሻንዳ ዝኣምሰሉ ክኢልታት ግን እቲ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ሰላም ንምስፋን ኣብ ዝህለው ነዊሕ መስርሕ ቀዳማይ ስጉምቲ ጥራሕ እዩ። \"እዚ ኣኼባ እቲ ግጭት ከመይ ከብቅዕ ከምዘለዎ ዝካየድ ልዝብ ኣይኮነን፤የግዳስ ኣብ ምንታይ ክላዘቡ ከምዘለዎም ንምስምማዕ እዩ።ብዘይወዓል ቶኽሲ ጠጠው ክብልን ዝተቋረፀ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ክኣትው ክልቲኦም ወገናት እንተድኣ ተሰማሚዖም እዚኦም መሰረታዊ ነገራት እዩ።\" እቲ ልዝብ ብዝምልከት ዝወፀ ዝርዝር ነገር የለን።እዚ ማለት እወጃ ሰላም ትፅቢት ዝገብሩ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ክሳብ ሽዑ ክፅበዩ ኣለዎም ማለት እዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/6813254.html"} {"headline":"ዘተ ሰላም ኢትዮጵያ ተናዊሑ","content":"ዘተ ሰላም ኢትዮጵያ ክሳብ ሎሚ ሰኑይ ክቕጽል ተናዊሑ። ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ተወከልቲ ክልል ትግራይን ኣብ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ዝቐነየ ዝርርብ ሰላም ክሳብ ትማሊ ሰንበት ተመዲቡ`ኳ እንተነበረ፡ ክሳብ ሎሚ ሰኑይ ምቕጻሉ ምስቲ ምድላው ቅርበት ዘለዎ በዓልስልጣን ንኣሶሼይትድ ፕረስ ኣረጋጊጹ`ሎ። ወሃብ-ቃል ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ኢባ ካሎንዶ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ብመልእኽቲ ቴለፎን ከም ዝሓበሮ ድማ፡ እቲ ተናዊሑ ዘሎ ዘተ-ሰላም ዝዛዘመሉ ዕለት ገና ኣይተነጸረን። ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ከም ዝሓበሩዎ’ውን ሎሚ ሰኑይ ዝቐጸለ ዝርርብ መዓስ ክዛዘም ትጽቢት ከም ዝግበሮ ኣየነጸሩን። ካልእ ምስ ተላዘብቲ ክልል ትግራይ ቅርበት ዘለዎ ወገን ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ፡ እቲ ዘተ ክሳብ ሰሉስ ክቕጽል ከም ዝኽእል፡ ነቶም ተዛተይቲ ብምውካስ ኣመልኪቱ። እቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዘሎ ዘተ-ሰላም ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ይደሊ`ሎ፡ ኣመሪካ እቲ ኲናት እቲ ኣማኢት ኣሸሓት ሰባት ከምዝጠፍአ ተስምረሉ'ላ። ወከልቲ ክልቲኦም ተላዘብቲ ወገናት ብዛዕባ`ቲ ዘተ ዝብልዎ እንተሎ ተሓቲቶኦም ዝመለሰ የለን። ሓይልታታ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ኮይኖም ዝዋግኡ ከምዘለዉ ትግለጽ ኤርትራ ኣካል ናይቲ ዘተ ኣይኮነትን። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣገልግሎት መራኸቢታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ብኣዛዚ ሰራዊት ህወሓት ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ንምርቋሕ ኣመሓደርቲ ክልል ትግራይ ብፈደራል መንግስቲ ኣመልኪቱ ዝተዘርበ፡ ኣሉታዊ ምላሽ ሂቡ'ሉ ኣሎ። እቲ መግለጺ፡ ንክልል ትግራይ ዘመሓድሩ ደቂ-ትግራይ እምበር ካልእ ኣካል ክኸውን መንግስቲ ከም ዘይፈቅድ ጠቒሱ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%8A%93%E1%8B%8A%E1%88%91\/6813077.html"} {"headline":"ከተማ አላማጣ ኣገልግሎት ኤሌትሪክ ክረክብ ምጅማሩ ሰብ-መዚ ገሊጾም","content":"ኤለክትሪክ ተቛሪጽዎ ዝጸንሐ ከተማ ኣላማጣን ከባቢኡ ኣገልግሎት ክረክብ ጀሚሩ። ብሰንኪ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ተቛሪጽዎም ካብ መንጎ ዝጸንሐ፡ ከተማ ኣላማጣን ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ቀበሌታትን ካብ ትማሊ ጀሚረን ኣገልግሎት ክረኽባ ምጅማረን በዓል-ስልጣን ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ካልኦት ከተማታት ክልላት ኣምሓራን ትግራይን`ውን ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ዝረኽባሉ ኩነታት ተፈጢሩ ከምዘሎ እቲ በዓል ስልጣን ኣፍሊጡ`ሎ። ካብ ከተማ ቆቦ 30 ኪ.ሜ ርሒቓ ትርከብ ኣላማጣ ንብርክት ዝበለ ኣዋርሕ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ካብ ዘይረኸባ ከተማታት ሓንቲ`ያ። ይኹን`ምበር ካብ ቆቦ 15 ኪ.ሜ ርሒቓ ትርከብ ዋጃ ግን ኣብ መስመር ዘሎ ኣግራብ ብዘይምልጋሱ ሓይሊ ኤለክትሪክ ንምቕራብ ጸገም ከምዝኾኖም ሰበ-ስልጣን ይገልጹ`ለዉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%8C%E1%89%B5%E1%88%AA%E1%8A%AD-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%A0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8C%A3-\/6813104.html"} {"headline":"“ዘተ-ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ሰራዊት ኤርትራ ግፍዒ ይፍጽሙ” ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ","content":"መሰኻኽር ዓይኒ ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ከም ዘመልከቱዎ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ዝተቖጻጸሮ ወገናት ክልል ትግራይ ግፍዒን ዝምታን ይፍጽም ኣሎ ኢሎም። ኣገልግሎት ኢንተርነትን ካልእ መራኸቢታትን ተቛሪጹ፡ ጋዜጠኛታትን ንምእታው’ውን ስለ ዘይከኣል፡ ንብዝሒን ዓይነት ዝወረደ ዕንወትን ብናጻ ኣካል ምርግጋጹ ከቢድ’ዩ። ወሃብ-ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ መብርሂ ንምሃብ ተሓቲቱ’ውን መልሲ ኣይሃበን። ብሰንኪ ምቍራጽ መራኸቢታት፡ ስድራቤታት ደሃይ መቕርቦም ክረኽቡ ከም ዘይክኣሉ ይነግሩ። ኣብቲ ኣቋሪጹ ድሕሪ ምጽናሕ ወርሒ ነሓሰ ዝጀመረ ኲናት፡ ኣመሪካ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ተቐቲሎም ምህላዎም ትግምት። ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብዅላቶም ኣካላት ግፍዒ ምፍጻሙ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ሓቢሩ ኣሎ። ንድሕነቱ መንነቱ ክዕቀብ ዝሓተተ ሓደ ሰራሕተኛ ረዲኤት፡ ብሰንበት’ውን ሰላማውያን ዜጋታት ብሰራዊት ኤርትራ ከም ዝተቐትሉ ኣመልኪቱ። እቲ ሰራሕተኛ ረዲኤት ኣቐዲሙ ኣብ ኣኽሱም ዝነበረ ኰይኑ፡ ሕጂ ኣብ ሽረ ይርከብ። ብሰንኪ’ቲ ቀጻሊ ምጕስቓል፡ ህዝቢ ኣብ ራዕዲ ከም ዘሎ ድማ እቲ ዝተጠቕሰ ዜጋ ይሕብር። ከምቲ ኣብ ቀዳማይ እግሮም ዝገበሩዎ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣእካል ከቃጽሉ ምርኣዮም’ውን እቲ ሰራሕተኛ ረዲኤት ኣመልኪቱ ኣሎ። ኣብ ሽረ፡ ኣብ ዓለማዊ ትካል ረዲኤት ዝሰርሕ ዜጋ፡ ሰራዊት ኤርትራ ብመካይን ጽዒኖም ንብረት ምውሳዶም ይሕብር። ከም ሓበሬታኡ ድማ እቲ ምውሳድ ንብረት እንኮላይ ብጽዕነት ገመል ዘጠቓልል’ዩ። ኣብቲ መዓስከር ብልክዕ ዝገበሩዎ ምፍላጥ ዛጊት ኣይተኻእለን ደኣ’ምበር፡ ወተሃደራት ኤርትራ ናብ መዓስከር ተመዛበልቲ’ውን ምእታዎም ተሓቢሩ ኣሎ። ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኤርትራ ናይ ምቍጽጻር ዓቕሚ እንተለዎም ተሓቲቱ ንኣሶሴይትድ ፕረስ መልሲ ኣይሃበን። ኣብ ሽረ ዝርከቡ ክልተ ሰራሕተኛ ረዲኤት’ውን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ከም ዝፈተሹ ሓቢሮም። ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ’ውን ብዛዕባ’ዚ ግብረ-መልሲ ንምስማዕ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰለጦን። ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ብዛዕባ’ቲ ብሰራዊት ኤርትራ ተፈጺሙ ዝተባህለ ግፍዒ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝረኸቦ ግብረ-መልሲ ኣየስፈረን። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ንመጨረሽታ እዋን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ክልል ትግራይ 23 ነሓሰ’ዩ ኣትዩ። ብሰንኩ ድማ ኣብቲ ክልል ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ሰፊኑ ከም ዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ዘተ-ሰላም፡ ኣብቲ ኲናት ዓቢ ኢድ ከም ዘለዋ ብሰፊሑ ዝተጸብጸበ፡ ኤርትራ ኣይሓወሰን። ኲናት ግን ገና ይቕጽል ከም ዘሎ በበይኖም ኣካላት የመልክቱ ኣለዉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B0%E1%88%89-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8C%8D%E1%8D%8D%E1%8B%92-%E1%8B%AD%E1%8D%8D%E1%8C%BD%E1%88%99-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%8B%9C%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%88%B6%E1%88%BD%E1%89%B5%E1%8B%B5-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%88%B5\/6812908.html"} {"headline":"ኣስመራ:ምሕጻብ ኵሊት ወጻኢታቱን ዓቕሚ ተጠቀምቱን","content":"ኣብ 2008 ብኣዝዩ ንኡስ ዓቕሚ ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ ኣስመራ ዝጀመረ ኣገልግሎት ምሕጻብ ኵሊት፡ ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ወርሒ ንኣስታት 40 ተገልገልቲ ኣገልግሎት ከም ዝህብ ኣካየድቲ እቲ ኣሃዱ ይገልጹ። ምስ መጠን ወጻኢታትን ዓቕሚ ተጠቀምቲን ግን ከመይ ክካወን ይኽእል? ንዝብል ዝተዳለወ ጸብጻብ ኣብዚ ምክትትል ይክኣል። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8C%BB%E1%89%A5-%E1%8A%B5%E1%88%8A%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2%E1%89%B3%E1%89%B1%E1%8A%95-%E1%8B%93%E1%89%95%E1%88%9A-%E1%89%B0%E1%8C%A0%E1%89%80%E1%88%9D%E1%89%B1%E1%8A%95\/6808079.html"} {"headline":"ማሕበር ወለዶ ምድሓን ትግራይ ኣባላቶም ንምድሓን ይጽውዑ","content":"ምስ ምውልዕ ኲናትን ምቍራጽ ኣገልግሎታት መድሃኒትን ናብ ክልል ትግራይ፡ ምስ ኤ.ች.ኣይ.ቪ ቫይረስ ዝነብሩ ዜጋታት ብሰንኪ ምቍራጽ መድሃኒት ክሳብ ናብ ጸበል ምጥቃምን ግዜኡ ዝሓለፎ መድሃኒት ምውሳድን በጺሕና ይብሉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8B%B6-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%93%E1%8A%95-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%93%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%8C%BD%E1%8B%8D%E1%8B%91\/6808073.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ኲናትን ዘተ-ሰላምን ብማዕረ ኣብ ዝግስግሰሉ፡ ንምቍራጽ ተጻብኦታት ጻውዒት ይሕይል","content":"ካብ ሰሉስ ጀሚሩ ኣብ ፕሪቶሪያ ርእሰ-ከተማ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዕጹው ስፍራ ዝቃናዕ ዘሎ ዝርርብ ሰላም ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ህወሓትን ኣብ ዝቐጸለሉ፡ በበይኖም ኣካላት ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ምቍራጽ ተጻብኦታት ምዃኑ ጻውዒት የቕርቡ ኣለዉ። ኣብ ቅድሚት ክስራዕ ዘለዎ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ምብጻሕን መሰረታዊ ኣገልግሎታትን’ዩ ክኸውን ዘለዎ ዝበለ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ሎሚ ብመገዲ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ’ውን ነቲ ጉዳይ ኣስሚሩሉ ኣሎ። ብሊንከን ኣብቲ ምስ ፕረዚደንት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ መሓመድ ቢን ዛይድ ብመገዲ ቴለፎን ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ንዞባዊን ዓለማዊን ጉዳያት ብዕምቆት ከም ዝዘተዩ ድሕሪ ምምልካት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ምቍራጽ ተጻብኦታት ክግበር ኣድላዪ ምዃኑ ምስ ፕረዚደንት መሓመድ ቢን ዛይድ ምዝርራቦም ኣስሚሩ። ብዛዕባ’ቲ ኣብ ደቡብ-ኣፍሪቃ ክሳብ ሰንበት ክቃናዕ ተመዲቡ ዘሎ ዝርርብ ዝወጸ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ዛጊት የሎን። እዚ እናዀነ ግን ኣብ ባይታ ገና ውግእ ይቕጽል ምህላዉ በበይኖም ምንጭታት የመልክቱ። ክልቲኦም ወገናት ንዝርዝር ኣብ ዓውደ-ኲናት ዘሎ ኵነታት ካብ ምክፋል ተቖጢቦም ኣለዉ። ሓይልታቶም ኣድላዪ ዝበሉዎ ዓወታት የመዝግቡ ከም ዘለዉ ክልተኦም ወገናት ብበመገዶም ይገልጹ ኣለዉ። ብዛዕባ ኣብ ባይታ ተበጺሑ ዘሎ ከይዲ ግን ካብ ናጻ ምንጪ ጭቡጥ ሓበሬታ ምርካብ ኣይተኻእለን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%8D%E1%88%AB%E1%8C%BD-%E1%89%B0%E1%8C%BB%E1%89%A5%E1%8A%A6%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8C%BB%E1%8B%8D%E1%8B%92%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%88%95%E1%8B%AD%E1%88%8D\/6807910.html"} {"headline":"ኤርትራ:ድርብ ሓጹር ምስጋር- ኣብነታዊት ሓረስታይ","content":"ኣስመራ — ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ናይ ኣዒንቲ ዕውረት ዘጋጠማ ንግስቲ ኣውዓሎም፡ ድሕሪ ናጽነት ናብራኣ ንምምራሕ ካብ ካልእ ኣይተጸበየትን። ብውሑዳት ደርሆ ኣብ ገዛኣ ንዝጀመረቶ ስራሕ ሕርሻ ድማ ሕጂ ሰፊሑስ ኣስራሒትን ኣውፋሪትን ኰይና ኣላ። ነዛ ኣብነታዊት ሓረስታይ ኣዘራሪብናያ ኣለና። ብርሃነ በርሀ ጥለብ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B5%E1%88%AD%E1%89%A5-%E1%88%93%E1%8C%B9%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8C%8B%E1%88%AD\/6806708.html"} {"headline":"ሃንቀውታ ንሰላም","content":"መቐለ — ዘተ ሰላም ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መሪሕነት ክልል ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየደሉ እዋን፡ ትጽቢትን ተስፋን ነበርቲ ከተማ መቐለ ካብዚ ዘተ ተወኪስና ኣሎና። እዚ ቃለ-መጠየቕ ቅድሚ’ቲ ዘተ ምጅማሩ ዝተመልአ’ዩ። ሙሉጌታ ኣጽብሃ ጥለብ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%8A%95%E1%89%80%E1%8B%8D%E1%89%B3-%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D\/6806680.html"} {"headline":"ኦፌኮን ኦነግን ኣብ ወለጋ ደብዳብ ነፈርቲ ተካይዱ ክብሉ እንከለዉ መንግስቲ ግን ነቲ ክሲ ይነጽግ","content":"ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ)ን ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ)ን፡ኣብ ምብራቕ ወለጋ ከምኡ ድማ ኣብ ምብራቕን ምዕራብን ሸዋ ብመጥቃዕቲ ኣየር ሰላማዊያን ሰባት ተቐቲሎም ክብሉ ከለዉ መንግስቲ ግን ሓሶት`ዩ ይብል ኣሎ። ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ፡ በቲ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሰላማዊያን ሰባት ተቐቲሎም ክብል ከሎ፡ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ብወገኑ ሲቪላት ኣበየ ቦትኡ መጥቃዕቲ ይወርዶም ኣሎ ክብል ከሲሱ። መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ነበርቲ ምዃኖም ዝገለጹ ሰባት`ውን ተዛሪቦም ኣለዉ።ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኖም፡ ኣብቲ ዝተባህለ ቦታ ናይ ኣየር ደብዳብ ከምዘይተኻየደ ድሕሪ ምግላጽ፡ ዒላማ ሓይልታት መንግስቲ ሸኔ ንዝተባህሉ ዕጡቓት`ምበር ሲቪላት ኣይኮኑን ኢሎም። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ብዛዕባ`ቲ ዝብሃል ዘሎ መጥቃዕቲ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/oromia-air-strike-allegations-\/6806371.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ፤ ኣባል ቤት ምኽሪ ክልል ሶማል ብዘጋጠመ ሃንደበት ተዅሲ ተቐቲለን","content":"ትማሊ ሰሉስ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጅጅጋ ብዝተኸፍተ ሃንደበታዊ ተኹሲ፡ ኣባል ቤት ምኽሪን ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ፓርቲ ብልጽግናን ጀዋርያ መሓመድ ኢብራሂም ከም ዝተቐተለት ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ክልል ሶማሌ ኣፍሊጡ። ንሳ ብሓደ ኣባል ፈደራል ፖሊስ ከምዝተቐተለት ንድምጺ ኣመሪካ ዝሓበረ ኣቶ ዓብደልቃድር ረሺድ፡ኣርባዕተ ካልኦት ሰባት`ውን በቲ ተኹሲ ከምዝቆሰሉ ተሓቢሩ`ሎ። ተጠርጣሪ ኣብ ቐይዲ ከምዝወዓለን መበገሲ`ቲ ተኹሲ`ውን ይጻረ ከምዘሎ`ውን ወሲኹ ሓቢሩ`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%83%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%89%A0%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8A%B9%E1%88%B2-%E1%89%B0%E1%89%90%E1%89%B2%E1%88%88%E1%8A%95\/6806403.html"} {"headline":"ግዜያዊ ዑቕባ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣመሪካ ብዓይኒ ክኢላ ሕጊ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘሎ ስእነት ጸጥታን ካልእ ሽግራትን፡ ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣመሪካ፡ ኣብ ኣመሪካ ካብ 20 ጥቅምቲ ኣትሒዞም ንዝጸንሑ ዜጋታት ኢትዮጵያ ን18 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ግዜያዊ ናይ ምንባርን ስራሕን ፍቓድ ምሃቡ ኣብ ዝሓለፈ ፈነወና ጠቒስና ኔርና። ብዛዕባ’ዚ TEMPORARY PROTECTED STATUS ዝተባህለ ኣዋጅ መብርሂ ንኽህቡና፡ ንጠበቓ ጉዳያት ስደተኛታት ንዝዀኑ ኣቶ ተመስገን ተካ ኣዘራሪብናዮም ኣለና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%8B%9C%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%91%E1%89%95%E1%89%A3-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%89%A5%E1%8B%93%E1%8B%AD%E1%8A%92-%E1%8A%AD%E1%8A%A2%E1%88%8B-%E1%88%95%E1%8C%8A\/6805026.html"} {"headline":"ዝርርብ ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ይካየድ ኣሎ","content":"ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መሪሕነት ክልል ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም ሎሚ ኣብ ፕሪቶሪያ ደቡብ ኣፍሪቃ ምጅማሩ ተሓቢሩ። እቲ ብኣላይነት ፍሉይ ልኡኽ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኦሊሰገድን ኦባሳንጆ፡ ናይ ቅድም ምኽታል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ፑምዚሌ ምላምቦን ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁር ኬንያታን ዝምራሕ ዘሎ ልዝብ፡ ንሓሙሽተ መዓልታት ማለት ክሳብ ሰንበት ክቕጽል ምዃኑ ወሃብ ቃል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ቪንሰት ማግውንያ ንጋዜጠኛታት ኣመልኪቱ።\\n\\nእቲ ኣብ ዕጹው ስፍራ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ናይ ኣመሪካ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ውድብ ኢጋድን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ተዓዛብነት ከም ዘለዎ ብስም ኮሚሽነር ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሙሳ ፋኪ መሃማት ዝወጸ መግለጺ የነጽር። መሳለጥያታት እቲ ዝርርብ ብደቡብ ኣፍሪቃ’ዩ ዝቃናዕ ዘሎ።\\n\\nእዚ ዘተ ብወገን ክልል ትግራይ ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምርሑን ንጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ዝሓቘፉን ጉጅለ ክህሉዉ እንከለዉ፡ ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ድማ ንኣማኻሪ ጸጥታ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን ዝጥርነፉ፡ ንሚኒስተር ፍትሒ ኢትዮጵያ ጊደዎን ጢመጢዎስ ዘጠቓልሉ ኣባላት ከም ዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%88%AD%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8B%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%88%8E\/6804743.html"} {"headline":"“ዘተ-ሰላም ኢትዮጵያ ንሓሙሽተ መዓልታት ክቕጽል’ዩ” ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ደ\/ኣፍሪቃ","content":"ኣብ ደቡብ-ኣፍሪቃ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃዊን ተዓዛብነት ኣመሪካ፡ ኢጋድን ካልኦት ኣካላትን ሎሚ ሰሉስ ዝጀመረ ዝርርብ ሰላም ኣብ ዕጹው ማዕጾ ክቕጽል’ዩ ተመረጹ። ካብቶም በበይኖም ተሳተፍቲን ኣካየድቲ እቲ ዘተን ዝወጽእ ዘሎ ሓበሬታ’ውን ኣዝዩ ንእሽቶ’ዩ። ካብ መንጎ’ቲ ኣዝዩ ቍንጣሮ ሓበሬታ፡ ወሃብ-ቃል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘካፈሎ ሓበሬታ ግን እቲ ዝርርብ ክሳብ 30 ጥቅምቲ (ማለት ንሓሙሽተ መዓልታት) ክቕጽል ምዃኑ ሓቢሩ። ኣብ ከይዲ ሰላም እቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ ዝዀኑ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ መሪሕነት ክልል ትግራይን ነቲ ዘተ ዘተኣናግድ ዘሎ ሕብረት ኣፍሪቃን ብዛዕባ’ዚ ከይዲ እዚ ዘተ ሓበሬታ ክህቡ ዝመረጹ ኣይመስሉን። እቲ ዘተ ንሎሚ ሰሉስ ኣብ ፕሪቶሪያ ክካየድ ምምዳቡን ብዛዕባ’ቶም ናብቲ ዘተ ዝመጹ ወከልቲ ኣካላትን’ውን ካብ ናይ ደቡብ-ኣፍሪቃ መራኸቢታት ጥራይ’ዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ወሃብ-ቃል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ’ውን ብዘይካ’ቲ ንውሓት መዓልታት እቲ ዘተ ካልእ ዝርዝር ኣይሃበን። ብዛዕባ’ቲ ከይዲ ሽፉን ኣብ ዝዀነሉ ግዜ ግን በበይኖም ካልኦት ኣካላት ንዕኡ ዝምልከት መግለጺ ይህቡ ኣለዉ። ወሃቢት-ቃል ቤተ-መንግስቲ ዋይት ሃውስ ዝዀነት ዣን-ፒየር ኣብ ናይ ትማሊ ሰኑይ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣመሪካ ነቲ መስርሕ ሰላም ዘለዋ ምሉእ ድጋፍ ብምግላጽ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ካብ ዓለም ኣብ መንጎ እቶም ዝኸፍአ’ዩ ኢላ። እታ ወሃቢት ቃል፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ኣብቲ ዘተ ንምስታፍ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ተጻብኦታት ደው ኢሉ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝቀላጠፈሉ መገዲ ክንናደ ጸዊዓ። ወሃብ-ቃል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ነድ ፕራይስ’ውን ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ስሩዕ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ቤት ጽሕፈቱ ነቲ ብኣላያነት ፕረዚደንት ናይጀሪያ ነበር ኦሊሰንጎ ኦብሳንጆ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታን ናይ ቅድም ምኽታል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ምላምቦ ንጋኩዋ ዝሰላሰል ዘሎ ዝርርብ ምሉእ ድጋፍ ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ሰራዊት ኤርትራ ቀልጢፉ ክወጽእ፡ ንዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ማዕጾ ክርሖ ኣዘኻኺሩ። ኣብ ሰነት ኣመሪካ ኮሚተ ዝምድናታት ወጻኢ’ውን ቅድሚ ዘተ-ሰላም ምጅማሩ፡ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝጸሓፉዎ ደብዳበ፡ እቲ “ንልዕሊ 2.5 ሚልዮን ህዝቢ ኣማዚብሉን ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ቀቲሉን” ዝበሉዎ ግጭት ዓሪፉ ብሰላም ክዛዘም ዘለዎም ትጽቢትን ድጋፍን ኣስፊሮም። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ኣመልኪቱ ዝወጸ ሓበሬታ ኣዝዩ ውሑድ’ዩ። ፕረዚደንት ክልል ትግራይን ኣቦ-መንበር ውድብ ህወሓትን ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ግን ትማሊ ሰኑይ ምስ ማዕከናት ዜና እቲ ክልል ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሰራዊት ፈደራልን ኤርትራን ዝኣተዉዎ ቦታታት ከቢድ ጭፍጨፋ ይፍጸም ኣሎ ክብሉ ከሲሶም። “ናብቲ ኲናት ተገዲድና ኢና ኣቲና\" ዝበሉ ዶክተር ደብረጽዮን፡ ሰራዊቶም ይምክት ከም ዘሎ ብምምልካት፡ ሕጂ’ውን ንሰላም ዘለዎም ድሉውነት ብምግላጽ፡ “ወራር እናተኻየደልና ልኡኻት ንደቡብ ኣፍሪቃ ሰዲድና፡” ክብሉ ገሊጾም። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዓለምለኸ ተሓላቒ ትካል ኣምንስት ኢንተርናሽናል ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ መንጎ ወርሓት ነሓሰን መስከረን ኣብ መቐለን ዓዲ-ዳዕሮን ብዝተኻየደ ደብዳበ ነፈርቲ ህጻናት ዝርከቡዎም ኣማኢት ዜጋታት ቀቲሉ ኢሉ። እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣብ መንጎ 6ን 12 መስከረም፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ሸራሮ 40 ሰባት ምቕታሉ ጸብጺቡ ኣሎ። ካብ መንጎ’ቶም ዝተቐትሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዝርከቡ’ውን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ። ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተዋህበ ምላሽ ዛጊት ኣይረኸብናን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%93%E1%88%99%E1%88%BD%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%89%95%E1%8C%BD%E1%88%8D-%E1%8B%A9-\/6804600.html"} {"headline":"\"ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ዓለም ካብ ዝኸፍኣ ሓደ'ዩ\" ዋይት ሃውስ","content":"ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝተወልዐ ኲናት ደው ንምባል ሎሚ ሰኑይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዘተ ሰላም ተጀሚሩ'ሎ፥ ነዚ ንዘዳለወትን ዘተኣናገደት ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ ኣመሪካ ኣድናቖታ ትገልጽ ክብላ ወሃቢት ቃል ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ካሪን ዣን-ፒየር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኦ መግለጺ ኣፍሊጠን። ንሰን ወሲኸን ንላዕለዋይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦባሳንጆ: ንአባላት ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ፑምዚሌ ምላምቦ ምፆጋ ንፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኬንያታ ነቲ ዘተ ሰላም ከዳለው ደቡብ ኣፍሪቃ \"ትህቦ ዘላ\" ንዝበልዎ ድጋፍ'ውን መንግስቶም ዘለዎ ኣድናቖተን ገሊጸን። ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት መደረ ዘስምዕሉ እዋን \"ንኲናት ኢትዮጵያ ደው ንምባል ድሕነት ምሉእ ህዝባ ንምምላስ መስርሕ ሰላም ኣድላዩ'ዩ\" ምባሎም ወሃቢ ቃል ዋይት ሃውስ ዣን-ፒየር ኣብ መግለጺኣን ኣዘኻኺረን'የን። ወሃቢ ቃል ዋይት ሃውስ ዣን-ፒየር ነዚ'ውን ኣመሪካ ዓሙቕ ናብ ዝኾነ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕርታት ምእታዋን ንመስርሕ'ቲ ልዝብ ምድጋፋን ገሊጸን: ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር'ውን ናብቲ ከባቢ ብምኻድ ንዝሓለፉ ሰሙናት ኣብቲ ቦታ ምቕናዮም ሓቢረን። እቲ ልኡኽ ኣብቲ ዘተ ሰላም ከምዝሳተፍ'ውን ኣፍሊጠን ኣለዋ። ወሃቢ ቃል ዋይት ሃውስ ነቲ ክልተ ዓመታት ዘቑጸረ ኲናት ኢትዮጵያ ስዒቡ ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ዓለም ካብ ዝኸፍኣ ሓደ ምዃኑ ብምጥቃስ \"ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ድማ ሰብኣዊ ሓገዝ ብሰፊሕ ምእጋዱ: ቀረብ መግቢን ኣገልግሎት ጥዕናን ኣብ ዝበዝሓ ከባቢ ይውዳእ ብምህላው እቲ ዘድልይ ሓገዝ ኣብዚ ሕጂ እዋን እንተዘይኣትዩ እቲ ዝጠመየ ህዝቢ ብፍላይ ህጻናት ብዘሰንብድ ቁጽሪ ክሞቱ ክጅምሩ'ዮም\" ኢለን። ነዚ ግጭት ወታሃደራዊ ፍታሕ የብሉን\" ክብላ ደጊመን ዘተሓሳሰባ ዣን-ፒየር ኲናት ብቅልጡፍ ደው ክብል: መራሕቲ ክልል ትግራይ ናብቲ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ልዝብ ሰላም ምስ ልቦናኦም ክኣትው: ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ገደብ ንኢትዮጵያዊያን ክባጻሕ: ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ደው ክብሉን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክወጹን ሓቲተን ኣለዋ። እተን ወሃቢ ቃል \"ኩላቶም ወገናት ንፍልልያቶም ብዘተ ክፈትሑን ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ክኸላኸሉን ኣመሪካ ትጽውዕ\" ኢለን። \"ናይ ጭካነ ተግባራት ዝፈጸሙ ድማ ብተሓታትነት ክተሓዙ ንዝምልከቶም አካላት ኣብ ቀረባ መዓልታት ከነፍልጥ ኢና\" ክብላ መዓልታዊ መግለጺኣን ምሃብ ዝጀመራሉ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዛዚመን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%89%85%E1%88%8D%E1%8B%8D%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8A%B8%E1%8D%8D%E1%8A%A3-%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%8B%A9-%E1%8B%8B%E1%8B%AD%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8B%8D%E1%88%B5\/6804078.html"} {"headline":"መራሕቲ በበይኖም ወገናት ንዘተ-ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘለዎም ድጋፍ የስምዑ","content":"ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምእከል ልዝብ ሰላም ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መሪሕነት ክልል ትግራይን ሎሚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ርክብ ኣብ ዕጹው ስፍራን መራኸቢ ብዙሃን ዘይተረኽቡሉን ይካየድ ብምህላዉ ዝርዝር ናይቲ ዘተ ንምፍላጥ ኣጸጊሙ ኣሎ። ንክልል ትግራይ ወኪሎም ዝዛተዩ ሰንበት ንደቡብ ኣፍሪቃ ምእታዎ ተሓቢሩ ኣሎ። ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ጋዜጣ ደይሊ ማቭረክ ከም ዘስፈሮ፡ ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝመርሑ ልኡኻት ሎሚ ኣማስያኦም ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣትዉ ኰይኖም፡ እቲ ብኣምባሳዳር ሬድዋን ሑሴን ዝምራሕ ልኡኽ ሚኒስተር ፍትሒ ኢትዮጵያ ጊደዎን ጢሞቲዎስ’ውን ዝሓቍፍ’ዩ። ከም ሓበሬታ እታ ጋዜጣ ሎሚ ሰኑይ ነቲ ዝርርብ ንምምራሕ ዝካየድ ምምይጥን ዘተን ክኸውን እንከሎ፡ እቶም ተዛተይቲ ግን ሰሉስ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝርርብ ክጅምሩ ተወጢኑ'ሎ። ኣብቲ ዘተ ተዓዘብቲ ኣካላት ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድን ኣመሪካን ምህላዎም’ውን ዜና ደይሊ ማቭረክ ይገልጽ። ድምጺ ኣመሪካ ንሓበሬታ ደይሊ ማቭረክ ብኻልእ ምንጪ ከረጋግጾ ኣይከኣለን። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሎካዊት ቤተ ክርስትያን ፍራንሲስ እቲ ዘተ-ሰላም ክዕወትን ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ክባጽሕን ክጽልዩ ምዃኖም ብትዊተር ኣብ ዝለኣኹዎ መልእኽቲ ኣስፊሮም። ብኻልእ ወገን ድማ ርእሰ ሊቀ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስርቲያን ፍራንሲስ ንናይ ኢትዮጵያ ሰላምን ንሓድነት ጣሊያን እውን ፀሊዮም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ኣደባባት ጴጥሮስ ኣብ ዝመርሕዎ ስርዓተ ፀሎት ንናይ ኢትዮጵያ ሰላም ፀልዮም ኣለው። \"ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ዘሎ ግጭት ብሻቐሎት እየ ዝከታተሎ።ህውከት ዘሕዝን ሳዕቤናት ካብ ምግዳድ ንላዕሊ ንፀገማት ከምዘይፈትሕ ካብ ልበይ ደጊመ ክገልፀልኩም እደሊ።ፖለቲካዊ መራሕቲ ንርእሶም ክከላኸሉ ዘይኽእሉ ሰባት ስቓዮም ከብቅዕን ኣብ መላእ እታ ሃገር ነባሪ ሰላም ክሰፍንን ክሰርሑ ምሕፅንታይ የቕርብ ኣለኹ’’ኢሎም። \"ኣዚዮም ንዝተሃሰዩ ኢትዮጵያዊያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምፅላይ ኣይትረስዑ፤ሓድነትና ኣብ ምግላፅን ዘድልዮም ሰብኣዊ ሓገዝ ምሃብናን እውን ኣይንረስዕ’’ኢሎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ሎሚ ንዝጀመረ ሓዱሽ መንግስቲ ንሓድነትን ሰላን ጣሊያን ንፀሊ ኢሎም። ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሓላፊ ዝምድናታት ወጻኢ ጆሰፕ ቦረል ፎንተለስ ብግደኦም፡ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ሰላም ዘለዎም ድጋፍ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኵላቶም ኣካላት ሓላፍነት ወሲዶም ነባሪ ሰላም ንምምጻእ ክጽዕሩን ንዕርቂን ዳግመ-ህንጸትን ክጥምቱን ተላብዮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%89%A0%E1%89%A0%E1%8B%AD%E1%8A%96%E1%88%9D-%E1%8B%88%E1%8C%88%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-\/6803185.html"} {"headline":"ኲናት ኢትዮጵያ ኣብ ዝቐጸለሉ፣ ዘተ-ሰላም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ይቃናዕ","content":"ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝቃናዕ ዘሎ ዘተ-ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያን መሪሕነት ህወሓትን፡ ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝወጸ ሓበሬታ ሎሚ ክካየድ ተመዲቡ ኣሎ። እንተዀነ፡ ብዛዕባ’ዚ ዘተ፡ ብኣዝዩ ምስጢራዊ ስለ ዝተታሕዘ፡ ካብ ኵላቶም ወገናት ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ኣጸጋሚ ኰይኑ ኣሎ። ንክልል ትግራይ ወኪሎም ኣብቲ ዘተ-ሰላም ዝሳተፉ ኣባላት ትማሊ ሰንበት ንደቡብ ኣፍሪቃ ምእታዎም ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ክልል ትግራይ ዝዀኑ ፕሮፈሰር ክንዲያ ገብረሂወት ትማሊ ብትዊተር ኣመልኪቶም ነይሮም። ኪንዮ ምእታው እቲ ልኡኽን ንምቍራጽ ተጻብኦታት ዝጽውዕ ምሕጽንታ ፕሮፈሰር ክንዳይን ግን ንዝርዝር እቲ ከይዲ ኣመልኪቱ ዝወጸ ሓበሬታ ኣይነበረን። ብወገን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን እዚ ጉዳይ ብኣዝዩ ልዑል ምስጢር’ዩ ተታሒዙ ዘሎ። ኣቐዲሞም ንዝቐረበሎም ዕድመ ከም ዝተቐብሉ ኣማኻሪ ጸጥታ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን ኣመልኪቶም ነይሮም። እዚ ልኡኽ ንደቡብ-ኣፍሪቃ ምእታዉ በበይኑ ኣመታት እኳ እንተ ሃለወ፡ ዛጊት ግን ኣስማት ተዛተይቲን ቦታ ርክብን ብጭቡጥ ዝገልጽ ኣካል ኣይተረኽበን። ኣብቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ኣካላት’ውን ይጠቕሱዎ ከም ዘለዉ፡ እቲ ርክብ ብዘይ ናይ ሜድያ መወዓዊዒታት ክግበር’ዩ ተመሪጹ ዘሎ። እዚ ናይ ጸጥታ ውሕሰነትን ካልእ ምስኡ ዝተኣሳሰር ጉዳያትን ክኽውን ይኽእል። ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፡ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ንሰራሕተኛታት ረዲኤት ብምጥቃስ ከም ዘስፈሮ፡ ሰራዊት ፈደራል መንግስቲን ሰራዊት ኤርትራን ብቐዳም ንኸተማ ዓድዋ ተቖጻጺሮማ ኣለዉ። እቲ ኣገልግሎት ዜና ከም ዝጠቐሶ፡ ሰራዊት ትግራይ ኣብቲ ግጥም ከቢድ ክሳራ ወሪዱዎን ካብቲ ከባቢ ስሒቡን ኣሎ። ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፡ ብዓርቢ ኣብ ዓድዋ ደብዳብ ነፈርቲ ቍጽሮም ዘይተነጸሩ ዜጋታት ምህራሞምን ገለ’ውን ምማቶም’ውን ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ንተመሳሳሊ ምንጪ ብምጥቃስ ኣስፊሩ ኣሎ። ኣብ ካልእ ዜና፡ ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሰራዊት ፈደራል መንግስቲን ኤርትራን ምህላዉ ዝፍለጥ ሸራሮ፡ ኣስታት 40 ዝበጽሓ ካብ 13 ክሳብ 80 ዝዕድመአን ደቀንስትዮ ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ምዃነን ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ሓቢሩ። ኣብቲ ብማእከል ምውህሃድ ህጹጽ እዋን ዝተባህለ ትካል ናይ ትግራይን ምትሕብባር መሻርኽቲ ኣካላትን ዝተዳለወ ጸብጻብ፡ 159 ዜጋታት ምቕታሎም’ውን ተመልኪቱ ኣሎ። ፈጸምቲ ናይቲ ቅትለትን ዓመጽን ግን ኣይተነጸሩን። እቲ መጽናዕቲ ዛጊት ሃለዋቶም ዘይተፈልጡ 157 ዜጋታት ካብ ጸለምቲ፡ ደደቢትን ሸራሮን ብሰራዊት ኤርትራ ምጨዋዮ’ውን ጠቒሱ ኣሎ። ጸብጻብ ኣሶሽትድ ፕረስ ከም ዘቐምጦ፡ ማሕበር ኣምሓራ ሰሜን ኣመሪካ ዝተባህለ ትካል፡ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ንራያ ቆቦ ኣብ ዝተቖጻጸረሉ እዋን 193 ሰለማውያን ዜጋታት ቀቲሉ፡ 143 ደቀንስትዮ ድማ ዓሚጹ ክብል ኣስፊሩ። ድምጺ ኣመሪካ ብዅሉ ንዝቐረበ ክስታት ብናጻ ምንጪ ከረጋግጾ ኣይከኣለን። በበይኖም ኣካላት፡ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ዜጋታት ዝወርድ ዘሎ ቅትለትን ምጕስቓልን ኣትሪሮም ብምዃናን፡ ኵላቶም ተጻብኦ ከቋርጹን ሰራዊት ኤርትራ ክስሕቡን ይጽውዑ ኣለዉ። ካብ መንጎ’ዚ ከቢድ ጻውዒት ዘቕረበት ኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ’ያ። እታ ኣምባሳድር ብዓርቢ ንባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ምስቲ ዝካየድ ዘሎ ህልቂት ዝዳረግ ግብረ-መልሲ ዛጊት ዘይምህላዉ ኣመና ኣሕዛኒ’ዩ ኢላ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብቲ ኲናት ኢድ ብምእታዉ ብብዙሓት ኣካላት ዝንቀፍ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ፡ ብመገዲ ወግዓዊ መርበብ ሚኒስትሪ ዜና (ሻባይት) ኣቢሉ ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ መራኸቢ ብዙሃን ዓለም ነቲ ዘሎ ኲናት ልዕሊ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ይመጥኦ ኣለዋ ክብል ነቒፉ። እቲ ጽሑፍ “ተሓታቲ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ህልቂት ሰለማውያን ዜጋታትን እቲ ኣበጋሲ ናይቲ ኲናት ውድብ ህወሓት’ዩ” ብምባል፡ ብተጣበቕቱን ተሓለቕቱን ኣቢሉ ግን ከባቢያዊ ኲናት ንኸምስሎ ይጽዕር ኣሎ ኢሉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%8C%B8%E1%88%88%E1%88%89-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8B%AD%E1%89%83%E1%8A%93%E1%8B%95\/6802964.html"} {"headline":"ሚ\/ጉ\/ ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ምስ ፕረ.ኬንያን ናይ ደ\/ኣፍሪቃ ሚንስተርን ተዘራሪቦም","content":"ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ክጅመር'ዩ ተባሂሉ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ዘተ ሰላም ኢትዮጵያ ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶን ምስ ሚንስተር ዓለምለኸ ምትሕብባርን ደቡብ ኣፍሪቃ ናሌዲ ፓንዶር ሎሚ ምዝርራቦም ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ ኣፍሊጦም። ሚንስተር ብሊንከን ድሕሪ ዘካየድዎ ዝርርብ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ \"ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ሎሚ ተዘራሪብና ኣለና። ኣብ ጉዳይ ሰላምን ድሕነትን ኢትዮጵያን ከባቢኣን ዘለዎም መሪሕ ተራ ድማ የድንቖም\" ኢሎም። ንሶም ምስ ሚንስተር ፓንዶር ዘካየድዎ ዝርርብ ብዝምልከት ድማ \"ምስ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃ ልዝብ ሰላም ኢትዮጵያ ዝዕወተሉ ጉዳይ ተዘራሪብና ኣለና: ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብቲ ልዝብ ንዘለዋ ጠቃሚ ተራ ድማ ኣመስጊነ እየ\" ኢሎም። ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ ኣብ ዘውጽእዎን ኣብ መርበብ ሓበሬታ'ቲ ሚንስትሪ ዘስፈርዎ መግለጺ ብሊንከን ምስ ፕረ.ሩቶ ኣብ ዘካየድዎ ዝርርብ ኣብ ጉዳይ ሰላምን ድሕነትን ውሽጢ ኢትዮጵያን ከምኡ'ውን ምሉእ ምብራቕ ኣፍሪቃን ኬንያ ንዘለዋ \"መሪሕ ተራ\" ዝበልዎ ብዝምልከት ዝተዘራረቡ ክኾኑ ከለው ኣብ ወርሒ ታህሳስን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝቓናዕ ብፕረዚደንት ባይደን ዝተዳለወ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ኣመሪካን'ውን ከምዝተዘራረቡ መግለጺ'ቲ ወሃቢ ቃል ይሕብር። መግለጺ ቤት ጽሕፈት ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብተወሳኺ ብካልእ ወገን ሚንስተር ብሊንከን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ፕረዚደንት ባይደን ምስ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፖሳና ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ተራኺቦም ምዝርራቦም ስዒቡ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ኣብ ሓባራዊ ጥቕሚ ሓያል ምትሕብባረን ደጊሞም ኣረጋጊጾም ኣለው ይብል ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8A%AC%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%B0-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/6802526.html"} {"headline":"ተሳተፍቲ ዘተ ሰላም ኢትዮጵያ ደቡብ ኣፍሪቃ ምእታዎም ተገሊጹ","content":"ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ጽባሕ ሰኑይ ጥቅምቲ 24,2022 ክጅመር ተወጢኑ ዘሎ ዘተ ሰላም ንምስታፍ ተላዘብቲ ክልቲኡ ወገናት ደቡብ ኣፍሪቃ ምእታዎም ይግለጽ ኣሎ። እቲ ልዝብ ዝካየደሉ ቦታን ሰዓትን ብምስጢር ዝተታሕዘን ክሳብ ሕጂ ዘይተገለጸን እንተኾነ ወሃቢ ቃል ህወሓት ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረህይወት ሎሚ ሰንበት ኣብ ዝወጽእዎ መልእኽቲ ትዊተር ተላዘብቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ምእታዎም ሓቢሮም ኣለው። ንሶም ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዘተ ሰላም ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ንምስታፍ ልኡኻት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣትዮም ኣለው ክብሉ'ውን ሓቢሮም። እቶም ወሃቢ ቃል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ወሲኾም \"ተአፈፍቲ ጉዳያት\" ኢሎም ኣብ ዘስፈርዎ ዝርዝር \"ውግእ ብቅልጡፍ ደው ክብል: ብዘይገደብ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ: ምውጻእ ሓይልታት ኤርትራን\" ኢሎም። ይኹን ደኣ እምበር ፕሮ.ክንደያ እዞም ዝተዘረሩ ነጥብታት ቕድመ- ኹነት ይኹኑ ኣይኹኑ ዝሓበርዎ ነገር የለን። ፕሮ.ክንደያ ኣብ ትዊተር ዘውጽእዎ መልእኽቲ \"ወታሃደራዊ ፍታሕ ክህልው ኣይክእልን\" ብምባል ዛዚሞምዎ ኣለው። ካብ ተላዘብቲ ክልል ትግራይ ጀነራል ጻድቓን ገብረትንሳኤን ኣቶ ጌታቸው ረዳን ከምዝርከቡ'ውን ተሓቢሩ'ሎ። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ እዚ ዜና ክሳብ ዝተዳለወሉ ጊዜ ዝተዋህበ ሓበሬታ ኮነ መግለጺ እንተዘየለ'ዃ ኣቐዲሙ አባል'ቲ ናይ ዘተ ጉጅለ ምዃኖም ዝተገልጸ ኣማካሪ ሃገራዊ ጸጥታን ድሕነትን ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ብሓሙስን ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሕብረት ኣፍሪቃ እቲ ዘተ ሰላም ንሰኑይ ጥቅምቲ 24,2022 ከምዝካየድ ከምሓበሮምን ኣብቲ ዘተ ሰላም ንምስታፍ ዘለዎም ድልውነት ደጊሞም ኣረጋጊጾም'ዮም። ንሶም ኣብዚ ናይ ትዊተር መልእኽቶም ብስም ዘይጸውዕዎም ግን \"ገለ ገለ\" ዝበልዎም \"ካብቲ ዘተ ሰላም ወጺኦም ንስጉምቲ ሰራዊት ምክልኻል ናይ ሓሶት ሓበሬታ ምዝርግሖም ኣገሪሙና ኣሎ\" ኢሎም። ብዛዕባ ዘተ ሰላም ዝሓዞም ነጥብታት ኮነ እንታይ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን። ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ንኣመሪካ ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰባ ብምግላጽ ዘተ ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ ብቅንዕና ክካየድ ብምጽዋዕ ተኹሲ ብቅልጡፍ ደው ክብል: ዘይተገደበ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክህልው: ሰራዊት ኤርትራ ካብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክወጽእ ምትሕስሳቦም ወሃቢ ቃል'ቲ ሚንስትሪ ኔድ ፕራስ ገሊጾም። ሕብረት ኣፍሪቃ'ውን ነቲ ዘተ ሰላም ዝምልከት ዝሃቦ ሓበሬታ የለን። ነቲ ዘተ ሰላም ዝምልከት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከምነመሓላልፍ'ውን ንተኸታተልትና ክንሕብር ንፈትው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%88%B3%E1%89%B0%E1%8D%8D%E1%89%B2-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6802483.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ኣብ ኩነታት ጥዕና ገዲም ስነ ጥበባዊ ሚካኤል ኣምሃጽየን(ጀንደ)","content":"ገዲም ስነ-ጥበባዊ ሚካኤል ኣምሃጽየን(ጀንደ) ኣብ ሱዳን ኣብ ከቢድ ናይ ጥዕና ኩነታት ከምዘሎ ብጾቱ ይሕብሩ'ለዉ። ንናይ ነዊሕ እዋን ፈላጢኡን መሳርሕቱን ሃይለሚካኤል ሃይለስላሴ (ሊንጎ) ብዛዕባኡ ኣዘራሪብናዮ ኣለና። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8C%88%E1%8B%B2%E1%88%9D-%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%8C%A5%E1%89%A0%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%88%9A%E1%8A%AB%E1%8A%A4%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%83%E1%8C%BD%E1%8B%A8%E1%8A%95(%E1%8C%80%E1%8A%95%E1%8B%B0)-\/6800255.html"} {"headline":"ሳልሳይ ሕታም “ሳሕል - ሕሩይ ግጥምታት ቃልሲ” ብሰሎሞን ጸሃየ","content":"ብደራስን ተመራመርን ባህሊ ሰለሙን ጸሃየ ዝተዳለወት “ሳሕል-ሕሩይ ግጥምታት ቃልሲ” ዘርእስታ መጽሓፍ ዓርቢ 14 ጥቅምቲ ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ተመሪቓ። እታ መጽሓፍ ኣብ እዋን ገድሊ ዝተጻሕፉ ብርክት ዝበሉ ግጥምታት ዝሓቖፈት ኮይን መቐጸልታ ናይ’ተን ቅድሚ ሕጂ ዝተዘርግሓ ናይ ግጥሚ መጽሓፍቲ ከምዝኾነት’ዩ ደራሲኣ ገሊጹ። ንገጣሚ ሃገራዊ መዝሙር ኤርትራን ካልእ በበይኑ ስርሓትን ዝዀነ ሰሎሞን ጸሃየ ኣዘራሪብናዮ ኣለና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B3%E1%88%8D%E1%88%B3%E1%8B%AD-%E1%88%95%E1%89%B3%E1%88%9D-%E1%88%B3%E1%88%95%E1%88%8D---%E1%88%95%E1%88%A9%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%8C%A5%E1%88%9D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%83%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%88%8E%E1%88%9E%E1%8A%95-%E1%8C%B8%E1%88%83%E1%8B%A8-\/6800060.html"} {"headline":"ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣመሪካ ንኢትዮጵያዊያን ናይ 18 ኣዋርሕ ግዜዊ ጻንሖት ይህብ","content":"ብሰንኪ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስእነት ጸጥታን ምርግጋእን፡ ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣመሪካ (Department of Homeland Security) ኣብ ኣመሪካ ንዝጸንሑ ንኢትዮጵያዊያን ዜጋታት ናይ 18 ግዜያዊ ናይ ምጽናሕ ፍቓድ ምሃቡ ቤት ጽሕፈት ዝወጸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ኣብቲ ብስም ሓላፊ እቲ ክፍሊ ኣለሃንድሮ ማዮርካስ ሎሚ ዝወጸ ወግዓዊ ጽሑፍ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ዜጋታት ኢትዮጵያ ናብታ ሃገር ክምለሱ ውሕስነት ስለ ዘይብሎም፡ እታ ሃገር ብጸጥታን ካልእ መሰረታዊ ቀረባትን ክሳብ ዝረጋጋእ ኣብ ኣመሪካ ክጸንሑ ፍቓድ ከም ዝሃበ ሓቢሩ። እቶም ግዜያዊ ናይ ምጽናሕን ምስራሕን ፍቓድ ተዋሂቡዎም ዘሎ ኢትዮጵያውያን ካብ ትማሊ 20 ጥቅምቲ ኣብ ኣመሪካ ንዝጸንሑ ዝምልከት ኰይኑ፡ እዚ ን18 ኣዋርሕ ተዋሂቡ ዘሎ ፍቓድ ምስ ኣብ ባይታ ዘሎ ከይዲ ክቀያየር ከም ዝኽእል እቲ ዝወጸ ሓበሬታ ይሕብር። ብሕጂ ናብ ኣመሪካ ዝኣትዉ ዜጋታት ኢትዮጵያ ግን እቲ ኣዋጅ ከም ዘይምልከቶም ተሓቢሩ ኣሎ። ኢትዮጵያ ኣብዚ Temporary Protected Status (TPS) ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ንዜጋታት ኣዝየን ዘይውሑሳት ሃገራት ግዜያዊ ናይ ምጽናሕ ፍቓድ ዝህብ ኣዋጅ ክትኣቱ ናይ ፈለማኣ’ዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%88%8A-%E1%8B%8D%E1%88%BD%E1%8C%A3%E1%8B%8A-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%95%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%8B%AD-18-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%8C%8D%E1%8B%9C%E1%8B%8A-%E1%8C%BB%E1%8A%95%E1%88%96%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%88%85%E1%89%A5\/6799962.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ኲናት ይቕጽል ንምዕራፉ በበይኑ ጻውዒታት ይቐርብ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሎሚ’ውን ቀጺሉ ምውዓሉ ምንጭታት ይሕብሩ። ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ንሰራሕተኛ ረዲኤት ብምጥቃስ ከም ዘስፈሮ፡ ሎሚ ዓርቢ ኲናት ኣብ ከባቢ ኣኽሱም ክካይድ ውዒሉ ኣሎ። ምስ ስእነት መራኸቢታት ግን ኣብ ባይታ ዘሎ ከይዲ ብልክዕ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ኰይኑ ኣሎ። ብዛዕባ’ዚ ሕጂ ዘሎ ኲናት’ውን ኵላቶም ወገናት ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቦም’ዮም ጸኒሖም።\\n\\nዝርዝር ደኣ ኣይግለጽ እምበር፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ ዓርቢ ኣብ እዋን መመረቕታ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ክወርድን ንምዕባለ ብሓባር ክሰርሕን ዘለዎ ተስፋ ልዑል ምግላጹ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ። ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ብሰንኪ ጸገማት መሳለጥያ ዝበሎ ኣቐዲሙ ዝተኣጓጐለ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከካይዶ ዝነበረ ዘተ ሰላም ደጊሙ ንዕለት 24 ናይዚ ወርሒ’ዚ ምምዳቡ ይዝከር። ብዛዕባ’ቲ ንኻልኣይ ግዜ ዝተመደበ ዘተ-ሰላም ዝቐጸለ ዝርዝር ሓበሬታን በቲ ተመዲቡዎ ዘሎ ክካየድ ምዃኑን ዘይምዃኑን ግን ዛጊት ወግዓዊ ሓበሬታ የሎን።\\n\\nእዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ህጹጽ ምቍራጽ ተጻብኦ ተገይሩ ናብ ዘተ ሰላም ክእቶን ሰራዊት ኤርትራ ስሒቦም ካብ ጎንጺ ክእለዩን ኣተሓሳሲቡ። ወሃብ ቃል እቲ ቤት ጽሕፈት ነድ ፕራይስ ኣብ ዝሓበሮ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ኣብ ኢትዮጵያ ንምዝርራብ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ከም ዘሎ ብምምልካት፡ ቤት ጽሕፈቶም ብቕልጡፍ ናብ ዘተ ሰላም ክእቶን ሰብኣዊ ተበጻሕነት ክጅምርን ከም ዝሓተቱ ኣመልኪቱ።\\n\\n\\nብኻልእ ዜና፡ ብጠለብ ተዛዋወርቲ ኣባላት ዝዀና ጋቦን፡ ጋናን ኬንያን ዝተጸውዐ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ሎሚ ዕጹው ኣኼባ ይካየድ ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ። ባይቶ ጸጥታ ነዚ ዕጹው ኣኼባ ዘካየዶ ዘሎ፡ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ መሃማት ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ክልል ትግራይ ብዝርአ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ናብቲ ሕብረት ድሕሪ ዘቕረቦ ጸብጻብ’ዩ። ኢትዮጵያ ኣብቲ ዘተ ክትዕደም ምዃና ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ። ትካል ምውህሃድ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ድማ ነቲ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው መብርሂ ክህብ ምዃኑ ኣቐዲሙ ዝወጸ መደብ ይሕብር።\\n\\nንሕብረት ኣፍሪቃዊ ወኪሉ ንዘተ-ሰላም ፈደራል መንግስቲን ንኽልል ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ህወሓትን ከሳልጥ ተመዲቡ ዘሎ ፕረዚደንት ናይጀሪያ ነበር ኦሊሰገን ኦባሳንጆ’ውን ብዛዕባ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ፈተነታት መብርሂ ንኽህብ ምስ ኣባላት ሃገራት ባይቶ ጸጥታ ምርኻቡ ብኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ የብርህ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%89%95%E1%8C%BD%E1%88%8D-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%8D%89-%E1%89%A0%E1%89%A0%E1%8B%AD%E1%8A%91-%E1%8C%BB%E1%8B%8D%E1%8B%92%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%89%90%E1%88%AD%E1%89%A5\/6799671.html"} {"headline":"ም\/ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ምስ ማሕበረሰብ ዲፕሎማትን ዓለምለኸ ትካላትን ተዘራሪቦም","content":"ምኽትል ቀዳማይ ሚንስትርን ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝመደብሮም ማሕበረሰብ ዲፕሎማሲን ዓለምለኸ ትካላትን ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ኣመልኪቶም መብርሂ ምሃቦ መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ገሊፁ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰላም ንምፍታሕ ድልው ምዃኑ ምግላፆም ኣብቲ መብርሂ ዝተሳተፉ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር መለስ ኣለም ንጋዜጠኛታት ገሊፆም። ኢትዮጵያ ልኡላዊነታ ንምሕላውን ግዝኣታዊ ሓድነታ ንምርግጋፅን ኣብ እትወስዶ ስጉምቲ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ዓይነት ተፅዕኖ ከምዘይትቕበል ምግላፆም እውን እቲ ዜና ይሕብር ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%8B%B2%E1%8D%95%E1%88%8E%E1%88%9B%E1%89%B5%E1%8A%95-\/6799839.html"} {"headline":"ትካላት ቴክኖሎጂ ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ንጽልኢ ዘጋድዱ ዘረባታት ደው ዘብል ሜላ ከናድዩ በዓል መዚ ሕ\/ሃ ጸዊዔን","content":"ኣብ ሕቡራት ሃገራት ፍልይቲ አማኻሪት ምኽልኻል ምፅናት ዓሌት ኣሊስ ዋሪሙ: ትካላት ቴክኖሎጂ ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ንፅልኣት ዘጋድዱ ዘረባታት ካብ ምልውዋጥ ጠጠው ዘብል ሜላ ከናድዩ ኣተሓሳሲበን። ፅልኣት ዝሰብኩ ዘረባታት ዘጋደድዎ ኲናት ሰራዊት ፌደራል መሻርኽቶምን ኣንፃር ሓይሊታት ትግራይ ዝዓለመ ኲናት ክብገስ ምኽንያት ኮይኑ እዩ ክብል ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ፅሕፈት ኣፃራዪ ምፅናት ዓሌት ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ። ኣሊስ ዋሪሙ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውፀአኦ መግለፂ ብኹሎም ፖለቲካውያን መራሕቲን ዕጡቓት ሓይሊታት ትግራይን ዝዝረቡ ፅልኣት ዘጋድዱ ተባራዕቲ ቃላት “ቀፃልነት ዘለዎምን ከበድቲ” ክብላ ይገልፀኦም። ንሰን ወሲኸን ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ብዝተገብረ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦ ተቛሪፁ ዝፀንሐ ውግእ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ከምብሓድሽ ቀፂሉ: ሰራዊት ኤርትራ’ውን ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ይዋግኡ ምህላዎም ገሊፀን። “መብዛሕትኡ ጊዜ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቢሎም ዝዝርግሑ ዘረባታት ኣለዉ። ንዝተወሰኑ ጉጅለታት ብምንእኣስን ክጠፍእ ምስ ዝግበኦ ቫይረስ ብምምስሳል ሰብኣውነት ዝጎደሎም ኣገላልፃታት፣ ምስ ‘ካንሰር’ ብምምስሳል “ሓደ ዋህዮ ግቡእ ሕክምናዊ ኣገልግሎት እንተዘይረኺቡ ናብ መላእ ኣካላትና ይብተን” ብምባል “መናእሰይ ትግራይ ክቕተሉ”ዝፅውዑ ኣዝዮም ሓደገኛታት ዘረባታት ምንባሮም አቲ መግለፂ ይጠቅስ። ስለዝኾነ ድማ ትካላት ቴክኖሎጂ ማሕበራዊ ገፃቶም “ንምግላል፣ ንጽልኢን ዓመፃት ዘጋድዱ ናይ ፅልኣት ዘረባታት ካብ ምትእንጋድ ክቑጠቡን መሊኦም ጠጠው ዘብልሉን ኣገባባት ክጥቀሙ እቲ መግለፂ ኣተሓሳሲቡ።እቲ መግለጺ ወሲኹ “ዝያዳ ነቶም ዝፍፀሙ ዘስካሕክሑ ግፍዕታት ክፍፀሙ ግደ መርበባት ኢንተርኔት ዝለዓለ እዩ” ኢሉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/alice-warimu-statement-on-hate-speech\/6798367.html"} {"headline":"“ዳግም ዝተወልዐ ኲናት ልዕሊ 470-ሽሕ ዜጋታት የመዛብል”ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳይ ክልል ትግራይ","content":"ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ዳግም ዝተወልዐ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ካብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ክልል ትግራይ ጥራይ ልዕሊ 470-ሽሕ ዜጋታት ኣመዛቢሉ ምህላዉ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳይ ክልል ትግራይ ኣመልኪቱ። እዚ ሓድሽ ማዕበል ምምዝባል ነቲ ድሮ ተሃስዩ ዝጸንሐ ትሕተ-ቅርጺ ተወሳኺ ተጽዕኖ ኰይኑዎ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/tigray-region-idps\/6796493.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ ደሴ ዝነብሩ ተወላዶ ትግራይ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም","content":"ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኣብ ከተማ ደሴ ዝነብሩ ተወላዶ ትግራይ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም፡ ነቲ ዝቐጸለ ኲናትን ንዝስዕብ ዘሎ ሞት ሰላማውያን ሰባትን ዕንወት ንብረትን ተሓታቲ ህወሓት`ዩ ኢሎም። ሰልፈኛታት “ኣብ ከተማ ደሴ እንነብር ተወላዶ ትግራይ፡ ኣሸባሪ ህወሓት ዝሓዞ ኣፍራሲ ኣጀንዳ ንቃወም” ዝብል ጭርሖ የቃልሑ ኔሮም። ዝሓለፈ ነሓሰ ዝደገሰ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ፡መን ጀምርዎ ኣብ ዝብል ፈደራል መንግስትን ህወሓትን ክካሰሱ ጸኒሖም`ዮም። ኣብቲ ናይ ደሴ ሰልፊ ካብ መንጎ ዝተረኽቡ ሓደ፡ ልዕሊ 48 ዓመታት ኣብ ከተማ ደሴ ከም ዝተቐመጡ ዝገልጹ ተወላዲ ትግራይ ኣቶ ይስሃቕ ኪዳነ ፡ ብዛዕባ ዕላማ`ቲ ሰልፊ ክገልጹ ከለዉ፡ “ ምስ ህዝብን መንግስትን ክልል ኣምሓራ ሰለማውያን ኮይና፡ ንዝኽተልዎ መምርሕን ሕግን ተኸቲልና፡ ብሰላም ክንነብር ንደሊ ምዃና ንምፍላጥ`ዩ\"ኢሎም። ካብ መንጎ`ቶም ሰልፈኛታት ንድምጺ ኣመሪካ ዝተዛረቡ ነበርቲ ወሎን ከባቢኣን፡ ንተወላዶ ትግራይ ዝገበርዎ ድጋፍ ነድንቕ ኢሎም። እቲ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ቀጺሉ ከምዘሎ ምንጭታት ይሕብሩ`ለዉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8B%B0%E1%88%B4-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A5%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B6-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8A-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8A%A3%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D\/6796680.html"} {"headline":"“ህልቂት ከነድሕን ጸባብ መስኮት’ያ ዘላ”ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም","content":"ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሎሚ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ክልል ትግራይ ንዅሉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ተሓሪማ፡ ስቅያት ሰለማውያን ህዝቢ እናገደደ ዓለም ትም ኢሉ ምዕዛቡ ኣመና ከም ዘተሓሳስብ ተዛሪቡ። ንመደረ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ብምጥቃስ መግለጺኡ ዝጀመረ ዶክተር ቴድሮስ፡ ኣስታት ሽዱሽተ ሚልዮን ህዝቢ ንሞትን ስቓይን ተሳጢሑ እናሃለወ ዓለም ግን ዝግበኦ ኣቓልቦ ይህቦ ከም ዘየሎ ተዛሪቡ። “ዘሎ ሽግር ንምግላጽ ዲምፕሎሲያዊ ቋንቋ ይሓጽረኒ’ሎ” ዝበለ እቲ ዳይረክተር፡ ዓለም ካብ ህልቂት እተድሕነትሉ መስኮት እናጸበብ ይመጽእ ከም ዘሎ ኣተሓሳሲቡን ዝግበኦ ኣቓልቦ ክወሃቦ ጸዊዑን። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብተደጋጋሚ እዋን፡ ዶክተር ቴድሮስ ካብ መዝነቱ ወጻኢ ንውድብ ጥዕና ዓለም መጣበቒ ገይሩዎ ኢሉ ክኸሶ ጸኒሑ’ዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%88%8D%E1%89%82%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%8A%90%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%8A%95-%E1%8C%B8%E1%89%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%8A%AE%E1%89%B5-%E1%8B%AB-%E1%8B%98%E1%88%8B-%E1%8B%B3%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%8A%AD%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D\/6796483.html"} {"headline":"ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ማዕቀብ ክግበር ይጽውዕ","content":"ዓለምለኸ ተሓላቒ ትካል ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ክልል ትግራይ፡ ምምዝባልን ሞትን ሰለማዊ ህዝቢ ብምዕባዩ፡ ኣመሪካ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ልዕሊ ውሱናት መራሕቲ ኢትዮጵያ ብውልቂን ኣብታ ሃገር ድማ ናይ ኣጽዋር እገዳ ከንብር ጸዊዑ። ዳይረክተር ህዩማን ራይትስ ዎች ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዀነት ላቲሻ ባደር ኣብቲ ትማሊ ዝዘርግሐቶ ጽሑፍ፡ ደብዳብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ እንኮላይ ንሰራሕተኛታት ረዲኤት ግዳይ ዝገበረ ተደጋጋሚ መቕዘፍቲ የኸትል ስለ ዘሎ ቅልጡፍ ምትእትታው ክግበር ጸዊዓ። ባደር ወሲኻ፡ እቲ ንሰበ-ስልጣንን ናይ ኣጽዋርን ማዕቀብ ንኤርትራ ጥራይ ከይተሓጽረ፡ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበ-ስልጣን እታ ሃገርን’ውን ክኸውን ኣለዎ ኢላ። ባደር፡ ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ስቅያት ሰለማውያን ዜጋታት ንሰለ ፖለቲካዊ ምችኡነት ሸለል ከይብሃልን ዝግበኦ ክብደት ክረክብን ኣተሓሳሲባ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብመገዲ ኣገልግሎት መራኸቢታት ኣቢሉ፡ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰለማዊ ህዝቢ ኣብ ዝርከቦ ማእከል ከተማታት ኲናት ከም ዘይገብር ብምምልካት፡ ናብ ሰለማዊ ህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ’ውን ክሰርሕ ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ። ዛጊት ግን ብዛዕባ እማመ ህዩማን ራይትስ ዎትች ኣመልኪቱ ዝተዋህበ ግብረ-መልሲ ኣይረኸብናን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8B%A9%E1%88%9B%E1%8A%95-%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%89%B5%E1%88%B5-%E1%8B%8E%E1%89%BD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9B%E1%8B%95%E1%89%80%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%8C%8D%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8B%AD%E1%8C%BD%E1%8B%8D%E1%8B%95\/6796398.html"} {"headline":"ሰልፍታት ተቓውሞ ተወላዶ ትግራይን ኣምሓራን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ","content":"ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝነብሩ ኣባላት ማሕበረሰብ ተወላዶ ትግራይ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባታት ዓለምለኸ ትካላት ገንዘብ ብምርካብ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክልል ትግራይ ይፍፀም ኣሎ ዝበሉዎ ግፍዕታት ብምግላጽ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ልቓሕ ከይውሃብን ካልእን እገዳታት ብምሕታት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ ፅሕፈት ባንኪ ዓለምን ዓለምለኸ ትካል ገንዘብን ብምርካብ ናይ ተቓውሞ ድምፆም ኣስሚዖም ኣለው። ኣባላት ማሕበረሰብ ተወላዶ ኣምሓራ እውን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምዕራብ ወለጋ መንነት ዒላማ ዝገበረ ዝበሉዎ ግፍዒ ምፍፃሙ ጋዜጠኛታትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ብዘይኣግባብ ይእሰሩ ኣለው ብምባል: ሰልፈኛታት ንኣመሪካ ሓዊሱ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ስጉምቲ ክወስዱ ብምትሕስሳብ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ድምፆም ኣስሚዖም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%88%9E-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B6-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8B%E1%88%BD%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%89%B0%E1%8A%95-%E1%8B%B2%E1%88%B2\/6795017.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ ከተማታት ይቆጻጸር፣ ማሕበረሰብ ዓለም ሻቕሎቱ ይገልጽ","content":"ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንምንጭታት መንግስቲ ብምጥቃስ፡ ፈደራላዊ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንሽረ፡ ኣላማጣን ኮረምን ምቍጽጻሩ ኣፍሊጡ። ብሰንኪ’ቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎን ክወርድ ዝኽእልን ሓደጋ ብምርዳእ ድማ ሓያሎ መንግስታትን ዓለምለኸ ትካላትን ቅልጡፍ ምቍራጽ ተዅሲ ክግበርን ናብ ሰለማዊ ዘተ ክምለሱን ይጽውዓ ኣለዋ። ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ዝዀነ ቮልከር ተርክ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቤት ጽሕፈቶም ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ሲቪላዊ ዕላማታት ዝሃረመ ተደጋጋሚ ደብዳብ ከቢድ-ብረትን ነፈርቲን ምክያዱ፡ ጸብጻብ ክቕበሉ ምጽናሖም ድሕሪ ምግላጽ፡ ምስቲ እናተጋፈሐ ዝመጽእ ዘሎ ግጭት፡ እቲ ቅልውላው ክገድድ ከም ዝኽእል ዘለዎ ሻቕሎት ኣካፊሉ ኣሎ። እቲ ኮሚሽነር ኣብ መግለጺኡ፡ ምስቲ ዘሎ ስእነት መራኸቢታት ነቲ ዝብሃል ምርግጋጽ ከም ዘጸገም እኳ እንተ ገለጸ፡ እቲ ኲናት ህይወት ብዙሓት ሰለማውያን ሰባት ይወስድ ብምህላዉ፡ ኣብቲ ግጭት ዘለዉ ወገናት ንዓለማዊ ስምምዓት ከተግብሩን መሰል ሲቪላውያን ዜጋታት ከውሑስን ኣተሓሳሲቡ። ብተመሳሳሊ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኣብ ዘውጽኡዎ በበይኑ መግለጺ፡ ነቲ ድሮ ተሃስዩ ዝነበረ ቅልውላው መሊሱ ዘጋድድ ፍጻመታት እናዓበየ ምምጻኡ ኣመና ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ኣስሚሮም። ኵላቶም ወገናት ተዅሲ ደው ኣቢሎም ናብቲ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝምእከል ዘተ-ሰላም ክምለሱ ጸዊዖም። ኣብ ተመሳስሊ ምዕባለ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመገዲ ኣገልግሎት መራኸቢታት ኣቢሉ፡ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰለማዊ ህዝቢ ኣብ ዝርከቦ ማእከል ከተማታት ኲናት ከም ዘይገብር ብምምልካት፡ ናብ ሰለማዊ ህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ’ውን ክሰርሕ ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ። እቲ ንኸተማታት ሽረ፡ ኣላማጣን ኮረምን ብዘይ ተዅሲ ምቍጽጻሩ ዘመልከተ መግለጺ፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ኣብ ዝኣተዋ ከተማታት ገለ ክፋል ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክምለስ ምዃኑ’ውን ኣመልኪቱ ኣሎ። ላዕለዋይ ወታሃደራዊ እዚ ትግራይ (ሰንትራል ኮማንድ) ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንሽረን ካልእ ገለ ከባቢታትን ምግዳፉ ድሕሪ ምምልካት፡ ብቐጻሊ ደብዳብ ከቢድ-ብረትን ነፈርቲን ብርክት ዝበሉ ሰለማውያን ሰባት ሞይቶም ኣሽሓት ድማ ምምዝባሎም ኣስፊሩ። እቲ መግለጺ ወሲኹ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ኣበሳታት ብምርዳእ፡ ናብ ሰለማዊ ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ከባጽሕ ጸዊዑ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%BD%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%89%86%E1%8C%BB%E1%8C%B8%E1%88%AD-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%88%BB%E1%89%95%E1%88%8E%E1%89%B1-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%BD\/6794688.html"} {"headline":"ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰ\/መሰላት ሕ\/ሃ ኣብ ክልል ትግራይ ዘጋጥም ዘሎ ጉድኣት ከምዘሻቀሎ ገሊጹ","content":"ኲናት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝቀጸለሉ ጊዜ መግለጺ ዘውጸአ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰ\/መሰላት ሕ\/ሃ ሞትን ሰላማዊያን ሰባት ዒላማ ዝገብረ መጥቓዕቲታትን ከምዘሻቐሎ ኣፍሊጡ። ወሃቢት ቃል’ቲ ቤት ጽሕፈት ራቪና ሻምዳሳኒ \"ከቢድ ምንቅስቃስ ሰራዊት ተሳተፍቲ'ቲ ውግእ ዓሚቕ ሻቅሎት ፈጢሩልና ኣሎ\" ትብል። ትማሊ ሰኑይ መግለጺ ዘውጸአ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሸትኡ ኣብ ክልል ትግራይ ንትሕተ ቅርጽታትን መዕርፎ ነፈርቲን ምቁጽጻር ምኻኑ ገሊጹ ኣሎ። ንኣርባዕተ ትካላት ረድኤት ዝጠቀሰ ኣሶሴትድ ፕረስ ሰራዊት ኢትዮጵያን መላፍንቱ ሓይልታትን፣ ትማሊ ሰኑይ ንከተማ ሽረ ከምዝተቆጻጸሩ ሓቢሩ ኣሎ። ትማሊ መግለጺ ዘውጸአ ማእከላይ ኮማንድ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ ሽረ፣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር እቶም ልፍንታዊያን ዝበሎም ሓይልታት ምውዳቓ ኣፍሊጡ ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ’ቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክሳለጥ ተወጢኑ ብሰንኪ ሎጂስቲካዊ ጸገማት ዝተዓናቀፈን ልዝብ ሰላም ንክምለስ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ይርከብ። ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ይዋግኡ ከምዘለው ዝጠቐሰ ኣሶሴትድ ፕረስ፣ ኣብ ክልልትግራይ፣ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲን ሳኣን ርክባትን፣ ምክፍፋል ረድኤት ተቛሪጹ ከምዘሎ ጠቂሱ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8B%E1%8B%AD-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A5%E1%88%9D-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8C%89%E1%8B%B5%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%BB%E1%89%80%E1%88%8E-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6794717.html"} {"headline":"መግለጺ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ ኣብ ኩነታት ኢትዮጵያ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ይኸውን’ሎ: ህውከትን ዕንወትን ካብ መጠን ንላዕሊ ኾይኑ’ሎ ክብሉ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሪስ ኣፍሊጦም። ኣንቶንዮ ጉተረስ ንኩነታት ኢትዮጵያ ብዝምልከት ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ማሕበራዊ ምትእስሳር ተበቲኹ ድሕሪ ምባል ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዘሎ ተፃብኦ ሕጂ ጠጠው ክብል ኣለዎ ሓይልታት ኤርትራ’ውን ብህፁፅ ካብ ኢትዮጵያ ክወፁ ኣለዎም ኢሎም። \"ብወታሃደራዊ ሓይሊ ኣይፍታሕን’ዩ ሰላማውያን ሰባት ዘሰንብድ ዋጋ ይኸፍሉ’ለዉ\" ዝበሉ እቶም ዋና ፀሓፊ እቲ ብዘይ ኣፈላላይ ዝግበር መጥቃዕቲ ኣብ መንበሪ ከባቢታት ብመዓልቱ ተወሰኽቲ ንፁሃት ሰባት ይቀትልን ወሳget'ኒ ዝኾነ ትሕቲ ቀርፂ ይጎድእን ንወሰንቲ ኣገልግሎታት ኸኣ ይገትእን’ሎ ኢሎም። ዘሰንብድ ፆታዊ ዓመፅን ካልኦት ጭቖናን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ደቂ ተባዕትዮን ንሰምዕ‘ለና ዝበሉ እቶም ዋና ፀሓፊ ኩሎም ወገናት ንዓለምለኸ ሰብኣዊ ሕግታት ከኽብሩ ኣለዎም ኢሎም’ለዉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%8A-%E1%88%95%E1%89%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%89%B6%E1%8A%95%E1%8B%AE-%E1%8C%89%E1%89%B0%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/6793427.html"} {"headline":"ካቶሊካዊ ጳጳስ ኤርትራ ሰበኻ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ ብሰበ-ስልጣን ጸጥታ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ካብ ኣስመራ ዝወጸ ሓበሬታ የመልክት","content":"ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ ኣብ ኤውሮጳ መገሻ ጌሮም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከለዉ፡ ብቐዳም ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብሰበ-ስልጣን ኤርትራ \"ትድለዩ ኣለኹም\" ተባሂሎም ከም ዝተወስዱን፡ ዘለውዎ ቦታ`ውን ብንጹር ከም ዘይፍለጥን ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ኣቡነ ፍቕረማርያም ኣብ ኤርትራ ካብ ዘለዋ ኣርባዕተ ሰባኻታት ሓንቲ ንዝኾነት ሰበኻ ሰገነይቲ ዝመርሑ ክኾኑ ከለዉ እቶም ካልኦት ሰለስተ ድማ፡ ሰበኻ ኣስመራ፡ ሰበኻ ከረን ሰበኻ ባረንቱ ተባሂሎም ይጽውዑ። ብዛዕባ ኩነታት ማእሰርቲ ኣቡነ ፍቕረማርያም ብሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ዝተባህለ ነገር የለን። ድምጺ ኣመሪካ ንማእሰርቲ ኣቡነ ፍቕረማርያም ብናጻ ምንጭታት ከረጋግጾ ኣይከኣለን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%B6%E1%88%8A%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%8C%B3%E1%8C%B3%E1%88%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%B0%E1%89%A0%E1%8A%BB-%E1%8A%95%E1%8A%A1%E1%88%B5-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%88%B0%E1%8C%88%E1%8A%90%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%8B%89-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%8C%B8-%E1%88%93%E1%89%A0%E1%88%AC%E1%89%B3-%E1%8B%A8%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%AD%E1%89%B5\/6793270.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ መዓርፎ-ነፍርቲ ክልል ትግራይ ከምዝቈጻጸር ይሕብር፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ምቍራጽ ተጻብኦታት ይጽውዕ","content":"ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ማህማት ኣብ ክልል ትግራይ ዳግም ብዝተወልዐ ኲናት ዝተሰምዖ ጓሂ ብምግላጽ፡ ህጹጽ ምቍራጽ ተጻብኦታት ተገይሩ ዝተቛረጸ ዘተ-ሰላም ክቕጽል ጸዊዑ። ኣብ ቀረባ እዋን ዝተወልዐ ኲናት ንኣመሪካ፡ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን’ውን የሻቕል ከም ዘሎ በበይኖም ኣካላት መግለጺ ኣውጺኦም ኣለዉ። ግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተጋደደሉ፡ ኣቦ-መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ኮሚሽነር ፋኪ ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኵላቶም ኣካላት ቅልጡፍ ምቍራጽ ተጻብኦታት ኣካዪዶም፡ ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተማእከለ ዘተ-ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ ክቕጽሉ ጸዊዑ። ብህወሓት ዝምራሕ መሪሕነት ክልል ትግራይ ነቲ ጻውዒት ከም ዝተቐበሎ ብሰንበት፡ ብመገዲ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታቱ ኣቢሉ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ነቲ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝወጸ መግለጺ ደኣ ብቐጥታ ኣይመልሰሉ እምበር፡ ንሰላም ዘለዎ ቅሩነት ገሊጹ ኣሎ። ኣብቲ ሎሚ ሰኑይ ብመገዲ ኣገልግሎት መራኸቢታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምእከል ዘተ-ሰላም ክቕጽል ዘለዎ ድልውነት ኣስፊሩ ኣሎ። እንተዀነ ይብል እቲ መግለጺ መንግስቲ፡ ህወሓት ዝመርሖ ክልል ትግራይ ምስ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ተሻሪኹ ተደጋጋሚ ጥሕሰት ሰማያት ኢትዮጵያ የካይድ ብምህላዉ መንግስቲ ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ የጠንቅቕ። እቲ ተጠቒሱ ዘሎ መጠንቀቕታ ድማ መንግስቲ መዓርፎ ነፈርቲን ካልኦት ኣገደስቲ ህንጻታት መንግስቲ ክቆጻጸር ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ። ምኽንያት ናይቲ ተመዲቡ ዘሎ ምቍጽጻር መዓርፎ-ነፍርቲ ድማ ሰማያት ኢትዮጵያ ካብ ናይ ደገ ሓይልታት ንምክልኻልን ናብቲ ዝድለ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ህዝቢ ንምብጻሕን ምዃኑ ይጠቅስ። እንተዀነ፡ ብሕልፊ ናብ ኤርትራ ዘዋስና ዓድታት ቀጻሊ ተዅሲ፡ ደብዳበ ከቢድ ብረትን ስእነት መሰረታዊ ቀረባትን ብምህላዉ ሓያሎ ወገናት ዘለዎም ስምዕታ የቕመጡ ኣለዉ። ኣመሓዳሪት ተራድኦ ኣመሪካ (USAID) ሳማንታ ፖወር፡ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ድርኵኺት ዓጸቦ ተሳጢሑ ስለ ዘሎ፡ ሰራዊት ኤርትራ ብዘይ ቅድመ ኵነት ክስሕቡ ጸዊዓ። ፖወር ወሲኻ፡ እቲ ግጭት ንሚልዮናት ኢትዮጵያውያን ኣማዛቢሉን ገና’ውን የከላብትን ብምህላዉ፡ ቀንዲ ግዳያት ናይቲ ግጭት ሰለማውያን ዜጋትት ምዃኖም ኣስሚራ። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ብግደኡ ብምዕራግ እቲ ግጭት ዝተሰምዖ ከቢድ ሓዘን ብምግላጽ፡ ንህጹጽ ምቍራጽ ተጻብኦታት ጸዊዑ። ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር’ውን ብተመሳሳሊ ምትእትታው ኤርትራ ኣብቲ ግጭት ነቲ ዘሎ ሽግር ነዳዲ ይውስኸሉ ከም ዘሎ ዘሎ ብምምልካት፡ ኤርትራ ብህጹጽ ሰራዊታ ክትስሕብ ኣመልኪቱ። ኣብ ሰነት ኣመሪካ ኣቦ-መንበር ኮሚተ ዝምድናታት ወጻኢ ቦብ መነንደዝ ብግዲኡ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ኵነታት ኣመልኪቱ ብቐዳም ኣብ ዝሃቦ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ ኵላቶም ተጻባእቲ ወገናት ህጹጽ ምቍራጽ ተዅሲ ከካይዱ ብምጽዋዕ፡ ንቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ሰራዊት ኤርትራ ንኽስሕቡ ክሓትት ጸዊዑ። ኵላቶም ኣካላት ንህጹጽ ብዘይ ቅድመ-ኵነት ዘተ-ሰላምን ክቕበሉ ዘመልከተ ኣቦ-መንበር ኮሚተ ዝምድናታት ወጻኢ መነንደዝ፡ ቅልጡፍ ምቍራጽ ተዅሲ ምስ ዘይግበር፡ መሪሕነቱ ነቲ ኣቐዲሙ ብሰነት ኣመሪካ ዝሓለፈ “Ethiopia Peace and Democracy Promotion Act of 2021” ዝብል ውሳነ ንኽትግበር ክሰርሓሉ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።ኣብ ቤት ምኽሪ ወኪልቲ ህዝቢ ኣቦ-መንበር ኮሚተ ዝምድናታት ግረጎሪ ሚክስ’ውን ብወገኑ ንትግራይ ሓዊሱ፡ ኣብ በበይኑ ክልላት ኢትዮጵያ ከም በንሻንጉል ጉመዝ፡ ዓፋር፡ ሶማሊያ ዝካየድ ዘሎ ጎንጺ ደው ክብል ብምጽዋዕ፡ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ምዕራፍ እቲ ግጭት ኣወንታዊ ኣበርኽቶ ክግበር ዘለዎ ቅሩብነት ኣስፊሩ ኣሎ። ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ሓላፊ ፖሊሲ ወጻኢ ጆሰፍ ቦረል’ውን ብተመሳሳሊ፡ ብሕልፊ ኣብ ከባቢ ሽረ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ሞት ኣሰንባዲ ክስተት ምዃኑ ኣስሚሩ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ሓይሎ ዲፕሎማሰኛታት ምዕራብ፡ ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ደብዳባት ህልቂት ሰለማውያን ዜጋታትን የጠንቅቑ ኣለዉ። ዓለምለኸ ኮሚተ ህይወት ኣድሕን (International Rescue Committee (IRC)) ኣብ ስራሕ ዝነበረ ኣባሉ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሽረ ብደብዳብ ነፋሪት ድሕሪ ምቕታሉ ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን ገሊጹ። ሰራሕተኛ ረዲኤት እቲ ትካል ዝዀነ ዜጋ፡ ኣብ ስራሕ እንከሎ’ዩ ዝሓለፈ ቀዳም ምስ ካልኦት ክልተ ሲቪላውያን ዜጋታት ብደብዳብ ነፈርቲ ተቐቲሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ’ውን ነቲ ዝተገብረ ጌጋ ብምእማን ዝተስምዖ ሓዘን ኣካፊሉ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%AD%E1%8D%8E-%E1%8A%90%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%96%E1%8C%BB%E1%8C%B8%E1%88%AD-%E1%8B%AD%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%AD-%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%88%9D%E1%89%8D%E1%88%AB%E1%8C%BD-%E1%89%B0%E1%8C%BB%E1%89%A5%E1%8A%A6%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8C%BD%E1%8B%8D%E1%8B%95\/6793128.html"} {"headline":"ተጠቀምቲ መድሃኒት ሕማም ሽኮር ትግራይ ኣቓልቦ ይሓቱ","content":" ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ናብ ትግራይ ዝኣቱ መድሃኒት ምቍራጹ፡ ነቶም ሓዳሪ ሕማም ዘለዎም’ሞ ቀጻሊ መድሃኒት ዘድልዮም ኣመና ኣሸጊሩ ከም ዘሎ ወኪልና ኣለም ፍስሃ ዝለኣኾ ጸብጻብ ይሕብር። ሓደ ጕጅለ ናይዚኣቶም ብሓማም ሽኮር ዝተጠቕዑ’ዮም--ናብቲ ጸብጻብ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%8C%A0%E1%89%80%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%83%E1%8A%92%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%88%9B%E1%88%9D-%E1%88%BD%E1%8A%AE%E1%88%AD-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%93%E1%88%8D%E1%89%A6-%E1%8B%AD%E1%88%93%E1%89%B1\/6790280.html"} {"headline":"መግለጺ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ","content":"ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓን ወሃብ-ቃልን ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንህሉዊ ምዕባለታት ኣመልኪቱ፡ ትማሊ ሓሙስ፡ ንማዕከናት ዜና እቲ ክልል ጋዜጣዊ መብርሂ ሂቡ ነይሩ። ኣቶ ጌታቸው ንዝተኣጓገለ ዘተ-ሰላም ኣመልኪቱ’ውን ተዛሪቡ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A2-%E1%89%83%E1%88%8D-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%8C%8C%E1%89%B3%E1%89%B8%E1%8B%8D-%E1%88%A8%E1%8B%B3\/6790246.html"} {"headline":"ፍሉይ ልኡኽ ኣመርካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ሚ\/ጉ\/ወጻኢ ኢትዮጵያ ተራኺቦም:ተዘራሪቦም","content":"ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ሎሚ ዓርቢ 4 ጥቅምቲ 2015 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ምኽትል ቀዳማይ ሚንስትርን ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢን ደመቀ መኮነን ተራኺቦም ተዘራሪቦም። ክልቲኦም ወገናት ግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰላም ክፍታሕ ኣብ ዘኽእል ጉዳይ ምዝርራቦም ሓበሬታ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ይሕብር። ዋላዃ ዝተፈላለዩ ዲፕሎማስያዊ ፃዕርታት ዝቐፀሉ እንተኾኑ እውን 18 ነሓሰ ዳግም ዝተወልዐ ውግእ ኣብዚ ሕጂ ስዓት ቀፂሉ ከምዘሎ ይግለፅ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%8D%E1%88%89%E1%8B%AD-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AD%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%80%E1%88%AD%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/6790214.html"} {"headline":"ኤርትራ:ኣባላት ኩባንያ ህንጻ ብድሆ ብጥርኑፍ ደም ይልግሱ","content":"ኩባንያ ሓፈሻዊ ህንጻ ብድሆ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ንሰራሕተኛታተን ብጥርኑፍ ኣብ ምልጋስ ደም ክሳተፉ እተተባብዕ ትካል’ያ። እዛ ትካል ካብ 2004 ኣትሒዛ ኣብዚ ሰናይ ተግባር ክትነፍጥ ምጽናሓ ኣወሃህደቲ እቲ ተበግሶ ይገልጹ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A9%E1%89%A3%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%88%85%E1%8A%95%E1%8C%BB-%E1%89%A5%E1%8B%B5%E1%88%86-%E1%89%A5%E1%8C%A5%E1%88%AD%E1%8A%91%E1%8D%8D-%E1%8B%B0%E1%88%9D-%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%B1\/6788461.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ጸገም ምቕድዳሕ ንምፍታሕ ተማሃሮ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ተዓጽዮም ይወስዱ","content":"ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ቅንያት`ዚ ኣብ ተካይዶ ዘላ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ቅድሚ ሎሚ ክርኣይ ዝጸንሐ ናይ ምቅድዳሕ ጸገም ንምፍታሕ ብዝብል ንኣስታት ሓደ ሚልየን ዝኾኑ ተማሃሮ 12 ክፍሊ ናብ ዩኒቨርሲታት ተጓዓዕዞም ኣላ። ንድምጺ ኣመሪካ ዝተዛረቡ ገለ ተማሃሮን ወለድን ግን እቲ ካብ ዓዶም ኣግዒዝካ ኣብ ዩኒቨርሲታት ዝውሃብ ፈተና፡ ነቶም ተማሃሮ ተወሳኺ ጭንቀት ክፈጥረሎም ይኽእል`ዩ ዝብል ስግኣት ኣሕዲርሎም ኣሎ። ገለ ካልኦት ድማ ምቅድዳሕ ክሳብ ዘይሃለወ ቦታ ምቕያርና ጸገም ኮይኑ ኣይስምዓናን`ዩ ይብሉ። ቅድሚ ዕለት ፈተና ዝካየድ ምስርራቕን ምቅድዳሕን ሃገራዊ ፈተና፡ ኣብ ኢትዮጵያ ጸገም ኮይኑ`ዩ ጸኒሑ። እታ ሃገር ነቲ ጸገም ንምክልኻል ክትብል ኣብ ግዜ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ኢንተርነት ዝዓጸወትሉ እዋን`ውን ኔሩ። ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ19 ግጭታትን ተዓናቒፉ`ዩ ጸኒሑ። ገለ ተማሃሮን ስድራቤቶምን ኣብዚ ዓመት`ዚ ዝተወስደ ስጉምቲ ግን ዘይልሙድን ሃንደበት ከይፈለጥና ዝተገብረን`ዩ ይብሉ። ሰበ-ስልጣን ግን ለውጢ ከምዘሎ ምልክታት ይህቡ ኔሮም`ዮም። ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ነቲ ሓዲሽ መደብ ዝሓበሩ ክኾኑ ኸለዉ፡ ተማሃሮ ድማ ዝሓለፈ ወርሕ መስከረም ፈተና ዝወስድሉ ቦታ ተሓቢሮም`ዩ። እቲ መደብ ተማሃሮ ካብ ዓዶም ወጺኦም ኣብ መደቀሲ ዩኒቨርሲታት እናተቐመጡ ክፍተኑ ዝገብር`ዩ፡ካብ ወለዶም ምብጻሕ ኮነ ተለፎን ኣይፍቀደሎምን። እዚ ግን ጭንቀት ከምዝወሰኸሎም ድምጺ ኣመሪካ ዘዛረቦም ወለድን ተማሃሮን ይገልጹ። ጓል 18 ዓመት ነባሪት ኣዳማ ሚሚ ባዳሶ\"ንስድራቤተይ ንሓንቲ መዓልቲ`ኳ ተፈልየዮም ኣይፈልጥን`የ: ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ከይረኣኽዎምን ከይተዛረብክዎምን ከመይ ክጸንሕ ከምዝኽእል ኣይፈልጥን” ትብል። ንሳ ናይ ኣዝማ ጥዕና ጸገም እንተለዋ`ኳ፡ ካብ መንጎ ዕድለኛታት`ያ፡ ምኽንያቱ ኣብ ውሽጢ ከተማኣ ኣብ ኣዳማ ኣብ ዘሎ ዩኒቨርሲቲ ኮይና`ያ ትፍተን ዘላ። ነቶም ልዕሊ 100 ኪ.ሜ ተጓዒዞም ናብታ ከተማ ዝመጹ ተማሃሮ ዝያዳ ጸገም ከምዝኸውን`ውን ይርኣያ። ቅድሚ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ኣሰራርሓ፡ ተማሃሮ 12 ክፍሊ ኣብ ቤት ትምህርቶም ኮይኖም`ዮም ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ዝወስዱ ኔሮም። ተዓዘብቲ ምስ ስድራቤቶም እናነበሩ ነቲ ፈተና ይወስድዎ ብምንባሮም ኣብ ግዜ ዕረፍቶም ስድራቤታዊ ሞራል ይረኽቡ ኔሮም ይብሉ ። ኣብዚ ዓመት`ዚ ግን ሓደ ሚልየን ዝኾኑ ተፈተንቲ ተማሃሮ ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ምስ ስድራቤቶም ክራኸቡ ኣይክእሉን`ዮም፡ ሽሕ`ኳ መንግስቲ መጎዓዝያ ዘቕርበሎም እንተኾነን ኮበርታን መግቢ`ውን ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ተቐሪብሎም`ዩ። ኣቦኣ ንሚሚ ኣቶ ባዳሶ፡ ንድምጺ ኣመሪካ ክገልጽ ከሎ ጓሉ ንመጀመርያ ግዜ ኣቑሑታ ጠርኒፋ ትወጽእ ከምዘላ ድሕሪ ምግላጽ፡ ነቲ ከባቢ ብደገ ኮይኑ`ኳ ንምርኣይ ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ከምዝኸይድ ኣፍሊጡ`ሎ። ንሱ “ንውሽጢ ክንኣቱ ወይ ብተለፎን ክንረኽቦም ግን ኣይንኽእልን ኢና” ይብል። ሰበ-ስልጣን እቲ ሓዲሽ ኣሰራርሓ ነቲ ዝነበረ ናይ ምቅድዳሕ ክፍተት ከምዝዓጽዎ ንተኣማመን ኢና ይብሉ። ሚንስትር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ብርሃኑ ነጋ ምስ መሓውራት ዜና ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ እቲ ዝነበረ ክፍተት ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝነበረ ብዝለዓለ ደረጃ ከም ዝዕጾን፡ እቲ ለውጢ ናይ መፈተኒ ቦታን ለውጢ ኣመሓደርትን ጽቡቕ ውጽኢት ከም ዘምጽእን ንተኣማመን ኢና ይብል። ካብ ከተማ መቱ ዝኾነ ተማሃራይ ሳምሶን ሲለሺ ብወገኑ፡ ሽሕ`ኳ እቲ ብድሆታት እንተሃለወ፡ ነቲ ፈተነ ንምውሳድ ድልው ምህላዉ ብምግላጽ ኩሉ ገዲፍካ ንቕድሚት ምስጓም ዝብል ሓሳብ ኣለዎ። “ ንዓይ ዘገድሰኒ ነቲ ፈተና ምውሳድን ጽቡቕ ምስርሐይ ምርግጋጽን ጥራሕ`ዩ። እቲ ፈተና ኣበይ ይገበር ንዓይ ጸገም ኮይኑ ኣይርኣየንን`ዩ” ኢሉ ምስ ቪኦኤ ኣብ ዝገበሮ ቃለ፡መጠይቕ፡ ካብ ከተማ መቱ ደቡባዊ ምዕራብ ኦሮምያ። “ ኣብ ፈተና ምቅድዳሕ ክሳብ ዘይሃለወ ካልእ ጸገም ኣይኮነን” ይብል ብምስዓብ። ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ግዝኣት ሚዞሪ ትነብር ተወላዲት ኦሮሞ ተራፒስት ማኪያ ኣሕመድ ግን ተመሃሮ ፈተና ክወስዱ ከለዉ፡ ዕረፍቲ፡ መግቢ፡ ድቃስ፡ ከምኡ ኣብ ሰውነት ፈሳሲ ዘይምጉዳል፡ ኣገዳሲ ረቛሒታት`ዩ ትብል። ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት ዘተኣታተወቶ ሓዲሽ ውጥን ሃገራዊ ፈተና ድማ ንገሊኦም ዝኸፍአ`ዩ ትብል። ሚንስተር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ብርሃኑ ነጋ ግን፡ ሽሕ`ኳ ኩሉ ግዜ ገለ ጽገማት ክህሉ ንጽበዮ እንተኾነ ብዛዕባ ውጥና ንተኣማመን ኢና ኢሉ`ሎ። ፨፨፨ ዓችት ፡፫ ፨፨፨፨ “ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ድማ ኮፍ ኢልና ነቲ ውጽኢታት ክንርእዮ ኢና፡ ገለ ናእሽቱ ጸገማት እንተ ተራእዩ`ውን ክነዐርዮ ኢና “ ኢሉ ዶር ብርሃኑ ነጋ ብምስዓብ። ከምቲ ኣብ ፳፳ ከምኡ`ውን ኣብ ፳፪፩ ዘጋጠመ፡ ኣብዚ ዓመት`ዚ ፳፪፪`ውን ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ኣብ ክልል ትግራይ ኣይካየድን`ዩ፡ ብሰንኪ `ቲ ዝቕጽል ዘሎ ኩናት። ኣብ ገለ ክፋላት ኦሮሚያ ዓፋርን ኣምሓራን`ውን ከምኡ ተመሃሮ ንፈተና ኣይክቕመጡን`ዮም። ብዛዕባ`ዚ ሚንስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣብቶም ከባብታት ነቲ ሃገራዊ ፈተና ከካይዶ መደባት ይስራዕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ`ሎ። ፨፨፨፨፨ አንድ ፨፨፨፨ ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8C%B8%E1%8C%88%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%8B%B5%E1%8B%B3%E1%88%95-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%88%95-%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%83%E1%88%AE-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%89%80%E1%89%92-%E1%8D%88%E1%89%B0%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%89%A8%E1%88%AD%E1%88%B2%E1%89%B2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8C%BD%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%88%B5%E1%8B%B1\/6788459.html"} {"headline":"\"ንትግራይ ዘይሓወሰ ኣስታት 6 ሚልዮን ተመሃሮ ኣብ ስሩዕ ትምህርቲ ኣይተመዝገቡን” ሚ\/ትምህርቲ ኢትዮጵያ","content":"ፈፃሚት ስራሕ ህዝባዊ ርክባትን ኮሚኒኬሽንን ሚንስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ኣመለወርቅ ህዝቅኤል ኣብ 2015 ዓ.ም ካብ ቅድመ ስሩዕ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ 29 ሚሊዮን ተማሃሮ ንምምዝጋብ መደብ እንተነበረ እኳ ፣ ብጭቡጥ ተመዝጊቦም ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝኣተዉ ግን 23.6 ሚልዮን ወይ ድማ 80 ሚእታዊት እዮም ክብላ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢረን። እቶም 20 ሚእታዊት ወይ ድማ 6 ሚሊዮን ዝኾኑ ተማሃሮ ግን ብሰንኪ ኲናት፡ ድርቂ፡ ውሕጅን ካልኦት ምኽንያታትን ክምዝገቡ ኣይከኣሉን ኢለን።\\n\\nብፍላይ ኣብተን ኲናት ዝነበረለን ከባብታት ኢትዮጵያ ዝተመዝገቡ ብዝሒ ተማሃሮ ኣዝዩ ውሕድ ከምዝኾነ ኣመለወርቅ ህዝቅኤል ገሊፀን። ንዕኣቶም ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝመፅሉ ወይድማ ኣብዘለውሉ ትምህርቲ ዝረኽብሉ መንገዲ ይድለይ ከምዘሎ እውን ኣመልኪተን።\\n\\nብሰንኪ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ኲናት ካብ ክልል ትግራይ ወፃኢ ኣብ ዘለዋ ክልላት ኣብ ልዕሊ 4 ሽሕ ኣብያተ ትምህርቲ ጉድኣት ከምዘጋጠመን፣ 1,300 ድማ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝዓነዋን ዝጠቐሳ ኣመለወርቅ ህዝቅኤል፡ ነተን ኣብያተ ትምህርቲ መሊስካ ንምህናፅ ምንቅስቓሳት ይግበሩ ምህላዎም ኣብሪሀን።\\n\\nብኻልእ ወገን፣ ዝሓለፈ 30 መስከረም ዝጀመረ ናይ 12 ክፍሊ ሃገራዊ ፈተና ኢትዮጵያ፡ ተማሃሮ ማሕበራዊ ሳይንስ ዝተፈተንሉ ቀዳማይ ዙር ከምዝተዛዘመ ሓቢረን። ኣብዚ ቀዳማይ ዙር ልዕሊ 586 ሽሕ ተማሃሮ ከምዝተፈተኑ ዝገለፃ እተን ፈፃሚት ስራሕ፡ ልዕሊ 12 ሽሕ ተማሃሮ ግን ኣይንፍተንን ኢሎም ካብ ኣርባዕተ ዩኒቨርሲታት ምውፀኦም ተዛሪበን። ኣብዚ ቀዳማይ ዙር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ብዘጋጠመ ምፍራስ ድልድል ህይወት ሓደ ተማሃራይ እንትሓልፍ፣ 400 ተማሃሮ ድማ ካብ ከቢድ ክሳብ ቀሊል መጉዳእቲ ኣጓኒፉዎም እዩ። ንሃገራዊ ፈተና ኢትዮጵያ 976 ሽሕ ተማሃሮ ዝወስዱ ከምዝወስዱን፣ ካልኣይ ዙር ናይ ተፈጥሮ ሳይንስ ተማሃሮ ፈተና ካብ 8 ጥቅምቱ ክሳብ 11 ጥቅምቲ ከምዝወሃብ ተፈሊጡ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%93%E1%8B%88%E1%88%B0-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-6-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%83%E1%88%AE-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%88%A9%E1%8B%95-%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%89%A1%E1%8A%95-%E1%88%9A-%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/6788221.html"} {"headline":"\"መጠን ሞት ህጻናት ክልል ትግራይ ብ4 ዕጽፊ ወሲኹ\" መጽናዕቲ","content":"ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ካብ ኩሎም ሕክምናዊ ክንክናትን ቀረባትን ድሕሪ ምቁራጹ ምስ ዝነበረ ኩነተ ጥዕና ብምንጽጻር ‘ሎሚ ዝውለዱ ህጻናት፣ ሓደ ወርሒ ከይመልኦም ናይ ሙሟት ዕድሎም ብኣርባዕተ ዕጽፊ ከምዝወሰኸ ሓደ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ። ሕ\/ሃ ዝምውሎ መርማሪ፣ ዝሓለፈ ወርሒ ከምዝገለጾ \"መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጥምየት ሰላማዊያን ሰባት፣ ከም መሳርሕ ኲናት ይጥቀመሉ ኣሎ\" ኢሉ ምድምዳሙ ዝዝከር እዩ። ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ቲ ሪፖርት ግብረ መልሲ ተሓቲተን መልሲ ከምዘይሃባ’ውን ኣሶሴትድ ፕረስ ይሕብር። ብመሰረት'ቲ ገና ዘይተሓትመ ግን ጸሓፍቱ ንኣሶሴይትድ ፕረስ ዘርኣይዎ መጽናዕቲ \"ህጻናት እታ ኣብ ውግእ ዘላ ክልል ትግራይ፣ ውልድ ምስ በሉ ኣብ ዘሎ ሓደ ወርሒ ናይ ሙሟት ዕድሎም፣ ቅድሚ እቲ ክልል ካብ ኩሉ ዓይነት ሕክምናዊ ክንክን ምቁራጹ ምስ ዝነበረ ጊዜ ክነጻጸር ከሎ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ\" ይብል። ኣሶሴትድ ፕረስ \"ነብሰ ጾራት ደቂ ኣንስትዮ ክትከላኸሎ ብዝካኣል ፎከስቲ ጸገማት ይሞታ ወይካኣ 42 መዓልታት ድሕሪ ምሕራሰን ናይ ሙሟት ዕድለን፣ ቅድሚ’ቲ ውግእ ካብ ዝነበረሉ ኩነታት ክነጻጸር ከሎ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ\" ይብል። ክልተ ዓመት ድሕር ምውላዕ ኲናት ከም ኤለክትሪክ፣ ስልኪ፣ ኢንተርኔትን ባንኪን ዝኣምሰሉ ኣገልግሎታት ሕጂ'ውን ተቋሪጾም ይርከቡ። ሕቡራት ሃገራት ዝምውሎ መርማሪ ኮምሽን ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ንሓይልታት ትግራይ ሓዊሱ ኩሎም ወገናት ግፍዒ ፈጺሞም እዮም ክብል ከሎ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥምየት ሰላማዊያን ሰባት ከም መሳርሒ ኩናት ይጥቀመሉ’ሎ’ውን ምባሉ ይዝከር። ፭፭፭፭፭፭ እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት፣ ናብ’ቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሃገረ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘዳለዎ መስርሕ ልዝብ ሰላም ንክሳተፉ ዓዲሙዎም ኣሎ። ፮፮፮፮፮፮ ሎም ዘበን ተተግቢሩ ዝነበረ ጊዚያዊ ምቁራጽ ተጻብኦ፣ ኣሻሓት ሰብኣዊ ረድኤት ዝጻዓና ናይ ዓበይቲ ማካይን ናብ ትግራይ ንክኣትዋ ሓጊዙ እዩ። ነሓሰ ዝተወለዐ ድሕረዋይ ውግእ ግና እንደገና ነቲ ቀረብ ረድኤት ኣተኣጋጉሉዎ ኣሎ። ብዘይካዚ፣ ንህጻናት ዝኾን መድሓኒትን ኢንሱሉንን’ውን ንክቃረጽ ጠንቂ ኮይኑ እዩ። ሕ፨ሃ ዝመወሎ ዳህሳስ ‘ኣብ ትግራይ ከቢድ ሕጽረት መድሓኒትን ሕክምናዊ ኣቑሑን ከምዘሎ’ ኣረጋጊጹ እዩ። ፯፯፯፯፯፯፯ ነብሰ ጾር ደቂ ኣንስትዮን ናእሽቲ ቆልዑን ብሓደ ወገን፣ ኣብ ምውላዕ እቲ ኹናት ዋላ ሓደ ብጽሒት ክኾኑ ከለው፣ በቲ ካልእ ወገን ግና እቶም ምሒር ንሓደጋ ዝተቃልዑ ኮይኖም ንረኽቦም። እቲ ሓድሽ ዳህሳስ፣ ካብ ግንቦት ክሳብ ሰነ ብሓለፍቲ ጥዕናን ገንዘባዊ ደገፍ ሕ፨ሃን፣ ኣብ ልዕሊ ፩፰፱ ሽሕ ርእሲ ስድራ ቤታት፣ ካብ ሸውዓተ ዞባታት፣ ኣብ’ተን ሽዱሽተ ዞባታት እዩ ተካይዱ። ሕጽረት ነዳዲ ስለዝነበረ፣ ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ሰባት፣ ገለ እዋን ብእግሮም ከምዝተጉዓዙ’ውን እቲ ዜና ይሕብር። ፰፰፰፰፰፰፰፰ ሞት ኣደታት ካብ ሓደ ሚእቲ ሽሕ ሓራሳት (ሞርታልቲይ ሬት) ፰፵ እዩ። እዚ መጠን’ዚ ቅድሚ ውግእ ካብ ሚእቲ ሽሕ ሓራሳት በዝሒ ይሞታ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ፩፰፮ እዩ ነይሩ። መብዛሕትኡ ሞት ብሰንኪ ኣብ እዋን ሕርሲ ዝፈሽ ደም ልዑል ጸቅጢ ደምን እዩ የጋጥም ነይሩ። ኣባላት’ቲ መጽናዕቲ ‘እዚ መጠን ሞት ኣደታት ፈጺሙ ተቀባልነት ዘይብሉን ቅድሚ ፪፪ ዓመታት የጋጥም ዝነበረን ሞት ሞት እዩ’ ክብሉ ይገልጽዎ። ፱፱፱፱፱፱፱፱ ሰማንያ ሚእታዊ ካብ’ተን ግዳያት ካብ ማእከላት ሕክምና ወጻኢ እናሃለዋ ከምዝሞታ ብምጥቃስ ካልእ መኣዝን እቲ ጸገም ይሕብር እቲ መጽናዕቲ። ኣብ ትግራይ፣ ቅድሚ’ቲ ውግእ ምውልዑ፣ ቴስዓ ሚእታዊ ነብሰ ጾር ደቂ ኣንስትዮ፣ ቅድመ ወሊድ መርመራ ይረኽባ ከምዝነበራ፣ ፸ ሚእታዊ ነብሰ ጾራት ድማ ብኪኢላታት ናይ ምሕራስ ድጋፍ ይረኽባ ከምዝነበራ፣ እቲ ብዓለም ለኸ መጽሔት ጥዕና ወግዓዊ ዝኾነ ሪፖርት ይሕብር። ፲፲፲ ፈንድ ህዝቢ ሕ፨ሃ ብወገኑ ‘ኣብ ትግራይ ወሪዱ ዘሎ መጠን ሞት ኣደታት ኣብ እዋን ሕርሲ ኣዝዩ መሰምበዲ’ዩ’ ክብል ይገልጾ። ፩፩፩፩፩፩፩ ድሕረ ወሊድ ክሳብ ቀዳሞት ፪፰ መዓልታት መጥን ዝሞቱ ህጻናት ኣብ ትግራይ ካብ ፲፻ ዝውለዱ ቆልዑ ፫፮ ከምዝኾነ እቲ ዳህሳስ ኣመላኺቱ ኣሎ። ምስ’ቲ ቅድሚ ውግእ ዝነበረ መጠን ክነጻጻር ከሎ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ንሂሩ ይርከብ። እዚ ምስ’ተን ናይ ኣዋለድቲ ሓገዝ ከይረኸባ ኣብ ቤተን ክገላገላ ምስፈተና ዝሞታ ክነጻጸር ከሎ ድማ ብፍቂ ዝነከየ እዩ። ቀንዲ ጠንቂ ሞት ህጻናት፣ ኣብ ዘይመዓልቶም ምውላዶም፣ ረኽሲን ኣብ እዋን ሕርሲ ዘጋጥም ምሕንካኽን እዮም። ህጻናት ምስ ተወልዱ ብቅጽበት ምስትንፋስ ዘይምኻኣሎም ማለት እዩ። ፩፪፩፪፩፪ ቅድሚ ውግእ ምጅማሩ ዝነበረ ሞት ትሕቲ ፭ ዓመት ዝዕድሚኦም ብዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ። ቀንዲ ጠንቂ ሞት’ዞም ቆልዑ ኮይኖም ዘለው ብቀሊሉ ክሕከሙ ይኽእሉ ዝነበሩ ከምውጽኣት፣ ሕማም ሳንባ (ሳንቡእ)ን ሕማም ረስኒን ዝኣምሰሉ ሕማማት እዮም ይብል እቲ መጽናዕቲ። ፩፫፩፫፩፫ ካብ መለለዪ ትግራይ ዝኾነ ሆስፒታል መቐለ ዝወጹ ኣሳእል ከምዝሕብርዎ ‘ሓንቲ ሓኪም፣ ንከብዲ ሓንቲ ዝማሰነትን ክልተ ዓመት ዝዕድሚዓን ሰላም ሙሉ እናመጠጠትን ከላ የርኢ’። እታ ሓኪም ኢዳ ካብ’ቲ ከብዲ ሰላም ድሕሪ ምልዓሉ’ውን እንተኾነ፣ እቲ ድርቀትን ጥምየትን ዘጥቀዖ ቆርበት’ታ ቆልዓ ናብ ስፍርኡ ከይተመለሰ ንቁሩብ ሰኮንዳት ጸኒሑ እዩ። ፩፬፩፬፩፬፩፬ እቲ መጽናዕቲ ‘ቃንዛ ዝቅንሱ መድሓኒታት፣ ኣፋውስ ጸረ ነፍሳት፣ ጸረ ምንቅጥቃጥ መድሓኒታት፣ ክታበታትን፣ ኣይቪን ክኒናትን ብዝኣክል ናብ ትግራይ ንክኣትው ጸዊዑ ኣሎ። ፩፭፩፭፩፭፩፭ “ኣብ’ዚ ንዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ዳርጋ ጥፍኣት እዩ’ ይብል ኣብ መቐለ ዝነብርን ኣባል’ቲ ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ዝኾነ ሓደ መንነቱ ክዕቀበሉ ዝመረጸ ሓኪም ህጻናት ይብል ኣሶሴትድ ፕረስ። ፩፮፩፮፩፮፩፮ “ነብሰ ጾር ይኾና’ሞ ግን ዝሕከማሉ ዕድል የለን” ይብል እቲ ሓኪም ህጻናት። ንሱ ወሲኹ ‘ብዛዕባ ኣብ ገጸር ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ’የ ይዛረብ ዘለኹ’ ይብል። ‘ኣብ ሕርሲ እንተበጺሓን፣ ከምመብዛሕተአን ነብሰጾር ደቂ ኣንስትዮ ማለት እዩ፣ ኣብ ገጸር ትነብር እንተኾይናን፣ ናብ ዝገላገላሉ ስፍራ ክኸዳ ኣይኽእላን። ኣገልግሎት ኣምቡላንስ ክረኽባ ኣይኽእላን። ንናይ ውልቀ መኪና ንክኮናተራ ዘኽእለን ገንዘብ የብለንን። ናብ ትካላት ሕክምና ዋላ’ውን እንተመጻ፣ ንገብረለን ነገር የለን’ ይብል እቲ ሓኪም። ፩፯፩፯፩፯፩፯ ቅድሚ ኹናት ምውልዑ፣ ጊዜ ነብሰጾርነት፣ ጊዜ ፍስሃ እዩ ነይሩ ይብል እቲ ሓኪም ህጻናት። ሎሚ ግን በለ ንሱ ‘ዘይምረጽ ኩነታት ኮይኑ እዩ ዝራኣይ’። ሰባት ነታ ነብሰጾር ዝሓዝኑላ ጊዜ ኢና በጺሕና’ውን በለ። ፩፰፩፰፩፰፩፰ ‘ኣብ ዝኾነ ካልእ ሃገር ከምዚ ዝበለ ነገር ሰሚዔ ኣይፈልጥን’ውን ይብል። ዓሚቕ ሕጽረት ስለዘሎ ብሰንኪ ኩናት በዝሒ ዝሞቱ ሰባት ንምንጻር ዝካኣል ኣይኮነን ዝብል እቲ ሓኪም ህጻናት፣ ኣሻሓት ሰባት ሞይቶም እዮም፣ ናጻ ጋዜጠኛታት ድማ ናብ’ቲ ክልል ንከይኣትው ተኸልኪሎም ኣለው ይብል እቲ ሪፖርት። ፩፱፩፱፩፱፩፱ ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ኪኢላታት፣ ንውጽኢት ዳህሳሶም ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብን ሚኒስትር ጥዕናን፣ ንባዕለን’ውን ሓኪም ቆልዑ ዝኾናን፣ ዶ፨ር ልያ ታደሰን ክገልጹ መደብ ኣለዎም። ብዛዕባ’ቲ ሪፖርት ሪኢቶ ዝቀረበለንን ግብረ መልሲ ንክህባሉን ብኣሶሴትድ ፕረስ ዝተሓተታ ዶ፨ር ልያ ታደሰ፣ ሪኢቶ ካብ ምሃብ ተቆጢበን ይብል እቲ ትካል ዜና። ፳፳፳፳ ኣብ መቐለ ዝነብር ሓኪም ህጻናት ግና ‘ኹናት፣ ነቲ ጽቡቕ መሰረት ሒዙ ዝነበረ መሓውር ዘፈር ጥዕና ኣዕኒይዎ እዩ’ ይብል። ንሱ ወሲኹ ‘ሰባት ‘ክትሕግዙና ዲኹም፧ ድሕሪ እዚ ዳህሳስ እንታይ ኢኹም ክትገብሩልና፧ ንጸገምና ክትፈትሕዎ ዲኹም፧ እናበሉ ይሓቱና። ዕረፍቲ ዝኸልእ ነገር እዩ ኣጋጢሙና ዘሎ’ ከምዝበለ ኣሶሴትድ ፕረስ ዘዳለዎ ሪፖርት ጠቂሱ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B5-%E1%8B%95%E1%8B%B5%E1%88%8D-%E1%88%85%E1%8C%BB%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%95%E1%8B%B5%E1%88%9A-%E1%88%9D%E1%8C%85%E1%88%9B%E1%88%AD-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8A%90%E1%8C%BB%E1%8C%B8%E1%88%AD-%E1%8A%A8%E1%88%8E-%E1%89%A54-%E1%8B%95%E1%8C%BD%E1%8D%8A-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%B9-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%8C%B8-%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%8A%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%BD\/6786834.html"} {"headline":"ብምስግጋር ደቂ ሰባት ዝተጠርጠረ ውልቀሰብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ","content":"ፖሊስ ኢጣልያ ምስ ኢሮፖል ምስ ፖሊስ ብሪጣንያን ነዘርላንድስን ከምኡ`ውን ምስ ኣህጉራዊ መጋባእያ ገበናት ብምትሕብባር ንሓደ ኣሰጋጋሪ ደቂሰባት'ዩ ንዝተባህለ ወልቀሰብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀይዲ ኣእትዮም። ስደተኛታት ካብ ኢትዮጵያ: ኤርትራን ሱዳንን፡ ብሊብያ ጌሩ ናብ ኤውሮጳ የሰጋግር ኔሩ ብዝብል ክሲ ካብ ኤርትራ ዝኾነ ወዲ 35 ዓመት ገብረመድህን ተመስገን ገብሩ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተታሒዙ። ገብረመድህን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተታሕዘ ናይ ኣውስትራልያ ፓስፖርት ሒዙ ናብ ኣደለይደ ትበርር ኣብ ዝነበረት ነፋሪት ተሳፊሩ ካብ ኢትዮጵያ ክወጽእ ክፍትን ከሎ`ዩ። ከም ሓበረታ ፖሊስ፡ ገብረመድህን ተመስገን ገብሩ፡ ናብ ኢጣልያ:ብሪጣንያ: ደንማርክ: ጀርመን: በልጅምን ነዘርላንድስን ሰባት የሰጋግር ምንባሩ ተገሊጹ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8C%8D%E1%8C%8B%E1%88%AD-%E1%8B%B0%E1%89%82-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%A0%E1%88%AD%E1%8C%A0%E1%88%A8-%E1%8B%8D%E1%88%8D%E1%89%80%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%90%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6786725.html"} {"headline":"ኣመሪካ ትርከበን ሽዱሽተ ሃገራት ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ደው ክብል ጸዊዐን","content":"መንግስታት ኣመሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ኣውስትራሊያ፡ ዴንማርክ፡ ጀርመንን ኔርዘርላንድስን ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዘውጽአኦ ሓባራዊ መግለጺ፡ እቲ ኲናት ዳግም ብምውላዑ ዝተሰምዐን መሪር ሓዘን ብምግላጽ፡ ቀንዲ ተሃሰይቲ እዚ ጎንጺ ሰላማውያን ሰባት ብምዃኖም ቅልጡፍ ምቍራጽ ተጻብኦታት ተገይሩ ናብ ሰላማዊ ዘተ ክእቶ ጸዊዐን። እቲ መግለጺ ከም ዘምልክቶ ኵላቶም ኣብቲ ኲናት ኢድ ዘለዎም ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይ፡ ሰራዊት ኤርትራን ሚሊሻ ፋኖን እለታዊ ምቍራጽ ተዅሲ ገይሮም ንዘይተገደበ ሰብኣዊ ተበጻሕነት ዕድል ክኸፍቱ ይጽውዕ። ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ጎንጺ ክስሕብ ዝጸውዐ መግለጺ ሃገራት ምዕራብ፡ ብዂናት ዝፍታሕ ግጭት ስለ ዘየሎ፡ ናብቲ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝተበገሰ ዘተ ሰላም ብምምላስ፡ ፈጸምቲ ግፍዒ ዝግበኦም ፍርዲ ዝረኽቡሉ ነባሪ ሰላም ክግበር ኣተሓሳሲበን። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሎሚ ብትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ ብስም ደኣ ኣይጠቀስ እምበር፡ ነቲ ብሃገራት ምዕራብ ዝወጸ መግለጺ ዝምልከት ግብረ-መልሲ ኣስፊሩ ኣሎ። ኣቶ የማነ ንኣንጻራዊ ባህሪ ገለ ሃገራት ምዕራብ ብምግላጽ፡ ብሓደ ወገን ኣሳወርቲ ኲናት ብኻልእ ወገን ኰነንቲ ጎንጺን ኰይነን ክቐርባ ሞራላዊ ሓለፍነት የብለንን ኢሉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%89%B5%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A0%E1%8A%95-%E1%88%BD%E1%8B%B1%E1%88%BD%E1%89%B0-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%94%E1%8A%95\/6786677.html"} {"headline":"ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ሳልሳይ ወያነ ኣቶ ሃይሉ ከበደ ብዋሕስ ተፈቲሖም","content":"ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓን ሓላፊ ርክባት ወጻኢን ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣቶ ሃይሉ ከበደ ሎሚ ሰሉስ ብዋሕስ ተፈቲሖም። ሓላፊ ክፍሊ ሕጊ እቲ ውድብ ኣቶ ተስፋአለም በርሀ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣቶ ሃይሉ ከበደ ብዋሕስ ንክፍታሕ ዝወሰነ ዝሓለፈ ዓርቢ ምዃኑ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊጾም። ፌደራላዊ ቤት ፍርዲ ብ16 መስከረም 2015 ዝነበረ መጋባእያ ኣቶ ሃይሉ ከበደ ብ10 ሽሕ ቅርሺ ዋሕስ ክፍታሕ እኳ ወሲኑ እንተነበረ፣ ፌደራል ፖሊስ ይግባይ ብምሕታቱ ጉዳዮ ብጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ፌደራል ክረኣ ፀኒሑ እዩ። ጠቅላሊ ፌደራላዊ ቤት ፍርዲ ነቲ ጉዳይ ርእዩ ንውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ብምፅዳቕ ኣቶ ሃይሉ ብዋሕስ ንክፍታሕ ዝሓለፈ ዓርቢ ወሲኑ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8B%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%AD%E1%88%93-%E1%88%B3%E1%88%8D%E1%88%B3%E1%8B%AD-%E1%8B%88%E1%8B%AB%E1%8A%90-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%88%83%E1%8B%AD%E1%88%89-%E1%8A%A8%E1%89%A0%E1%8B%B0-%E1%89%A5%E1%8B%8B%E1%88%95%E1%88%B5-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%89%B2%E1%88%96%E1%88%9D\/6785374.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ: ኮሚሽን ጉዳያት ሰ\/መሰላት ኢትዮጵያ ንሓደ ዓመት ክናዋሕ ወሲኑ","content":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ንገደብ ዕድመ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ኢትዮጵያ እተጽንዕ ኣሃዱ ብሓደ ዓመት ምንዋሑ፣ ንኽልል ትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ገዛኢ ሰልፊ ህወሓት ብሓጎስ ክቕበሎ እንከሎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ነጺጉዎ። ክልል ትግራይ ሎሚ ረቡዕ 12 ጥቅምቲ ብመገዲ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንምንዋሕ እታ መርማሪት ኮሚሽን ብሓጐስ ከም ዝተቐበሎ ኣፍሊጡ፣ ንስራሓት እኹል መሳለጢ ክግበረላ ጸዊዑ። ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጀነቫ ቅድሚ’ቲ ድምጺ ምሃቡ ብትዊተር ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ መንግስቲ ንምንዋሕ እቲ መርማሪ ኮሚሽን ከም ዝቃወም ብምሕባር ኣባላት ሃገራት ኣንጻሩ ከድምጻ ተማሕጺኑ። ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብዓርቢ ኣብ ዘካየዶ ምሃብ ድምጺ ብሰንኪ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ንዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ ጉዳያት ዝምርምር ኮሚሽን ስርሑ ንሓደ ዓመት ክናውሕ ወሲኑ። እቲ ብሕብረት ኣውሮጳ ዝቕረበ ዕማመ 21 ድምጺ ብምርኻብ'ዩ ጸዲቑ።እቲ ዕማመ ብዘይካ ማላዊ ንኩለን ኣብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓዊሱ ብ19 ሃገራት ምንጻጉ'ውን ተፈሊጡ'ሎ። አባላት'ቲ ኮሚሽን ኣብ 2023 ዝካየድ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ንዘካየድዎ መርመራ ዝምልከት ናይ ቃል ሪፖርት ከቕርቡ ምዃኖም'ውን ይፍለጥ። ወኪል ኢትዮጵያ ኣብ ጀነቫ ቕድሚ'ቲ ኣኼባ ብትዊተር ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኮሚሽን ከምዘይትቕበሎን አባል ሃገራት'ውን ኣንጻር'ቲ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ ኮሚሽን ድምጽን ክህባ ጸዊዖም ኔሮም። ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ብዛዕባ ምንዋሕ ናይ ስራሕ ጊዜ'ቲ ኮሚሽን \"እዚ ነቶም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ሓያል መልእኽቲ ዘሕልፍ: ፈጸምቲ ጥሕሰት ሓደ መዓልቲ ናብ ፍትሒ ከምዝቐርቡ ዘርእይ'ዩ\" ኢሉ። እቲ ትካል ወሲኹ ሃገራት'ቲ ኮሚሽን ስርሑ ክሰርሕ ዘድልይ ከበርኽቱ ጸዊዑ። ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራስ ኣመሪካ ንምንዋሕ ጊዜ ስራሕ'ቲ ኮሚሽን ከምዝድግፎ ብምግላጽ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኹሎም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ አካላት ንኹሉ ሓቖፍ:ግሉጽን ሓፈሻዊን መስርሕ ፍትሒ ክጽንበሩ ኣለዎም ድሕሪ ምባል \"ከምቲ ካብ መጀመርያ ክንብሎ ዝጸናሕና ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝካየድ መስርሕ ተሓታትነት ዝሓቖፈ ክኸውን ኣለዎ እቲ ኮሚሽን ድማ ነዚ ኣብ ምትግባር ዝካየድ ጻዕርታት ኣገዳሲ ተራ ዝጻወት'ዩ\" ኢሎም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%88%B0-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8A%93%E1%8B%8B%E1%88%95-%E1%8B%88%E1%88%B2%E1%8A%91\/6785209.html"} {"headline":"\"መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህወሓት ዘተ ሰላም ንምክያድ ዝከኣሎ ኩሉ ጻዕርታት ከካይድ'ዩ\" ፕረ. ሳህለወርቅ ዘውዴ","content":"\"መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህወሓት ዘተ ሰላም ንምክያድ ዝከኣሎ ኩሉ ጻዕርታት ከካይድ'ዩ\" ክብላ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ ሓቢረን። እተን ፕረዚደንት ነዚ ዝበላ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲን ህወሓትን ብቕድሚ ትማሊ ቐዳም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ልዝብ ሰላም ድሕሪ ምንውሑ'ዩ። ኣብቲ ሎሚ ዝተጀመረ ናይ ህዝቢ ተወከልትን ናይ ፈደራል ቤት ምክሪ ተወከልቲ ሓባራዊ ኣኼባ መኽፈቲ ስነ ስርዓት መደረ ዘስምዓ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ መንግስቲ ንዝካየዱ ምትዅታኽ ስጉምቲ ምውሳድ ክቕጽል'ዩ ኢለን። ህወሓት ብወገኑ \"ነቲ ምትዅታኽ ኾነ መጥቓዕቲ ብሰፊሕ ዘካይድ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ'ዩ\" ክብል ይከስስ። ብስም ወታሃደራዊ ማእከላይ እዚ (ትግራይ ሰንትራል ኮማንድ) ዝወጸ መግለጺ ካብ ትማሊ ብቐዳም 9 ጥቅምቲ ኣትሒዙ፡ ዝተወሃሃደን ተደራራርቢን መጥቃዕቲ ብወገናት ራማ፡ ዛላምበሳ፡ ጾሮናን ይወርዶም ከም ዘሎ ይሕብር። እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ሓይልታት ኤርትራን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ናብ ኤርትራ ኣብ ዘዋስና ዓድታት ራማን ዓዲግራትን’ውን ተደጋጋሚ ደብዳብ ከቢድ-ብረት ብምፍጻም ሰላማውያን ዜጋታት ቀቲሉን ኣቝሲሉን ክብል ከሲሱ። እቲ መግለጺ ብዝሒ ቍስላትን ምዉታን ኣየቐመጠን። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ሓድሽ መግለጺ ኣመልኪቱ ዝተዋህበ ግብረ-መልሲ ዛጊት ኣይረኸብናን። ብወገን ኤርትራ’ውን ተመሳስሊ ዝተረኽበ ምላሽ የሎን። እንተዀነ፡ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ብቐዳም 8 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ ሓተታ ግጭት ትግራይ ዘቤታዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ምዃኑ ብምምልካት፡ ህወሓት ግን ኣቓልቦ ንምስሓብን ወገን ንምኽሳብን ኣህጉራዊ መልክዕ ንምውሃብ ይጽዕር ኣሎ ኢሉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8B%AB%E1%8B%B5-%E1%8B%9D%E1%8A%A8%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%8A%A9%E1%88%89-%E1%8C%BB%E1%8B%95%E1%88%AD%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B5-%E1%8B%A9-%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%88%B3%E1%88%85%E1%88%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%85-%E1%8B%98%E1%8B%8D%E1%8B%B4\/6783683.html"} {"headline":"ልኡኽ ኬንያ ኣብ ልዝብ ዘተ-ሰላም ኢትዮጵያ ከምዘይርከቡ ምግላጾም ጥርጣረ ፈጢሩ'ሎ","content":"ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ኣብቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ተመሪሑ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካያድ ተመዲቡ ዝነበረ ዘተ-ሰላም ኢትዮጵያ ክርከብ ኣይክእልን`የ ድሕሪ ምባሉ፡ እቲ ዘተ-ሰላም ብዛዕባ ምክያዱ'ውን ጥርጣረ ፈጢሩ'ሎ። እቲ ልዝብ ዝሓለፈ ቀዳም ክካየድ ተመዲቡ`ኳ እንተነበረ ኣይተኻየደን፡ ዝቕጽል ዝተነግረ መደብ`ውን የለን። ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ምስ መራሒ ናይጀርያ ነበር ኦለሰገን ኣባሳንጆን ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ፉምዚለ ላምቦ ንጉካ ብምዃን ነቲ ልዝብ ሰላም ኢትዮጵያ ክመርሕዎ መደብ ኔሩ። ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ'ውን ነቲ ግጭት ኣብ ምዕራፍ እቶም ተዋሳእቲ ኣወንታዊ ተራ ክጻወቱ ምሉእ ምትእምማን ኣለኒ ኢሉ ኔሩ። እንተኾነ ምልክት ብድሆታት`ቲ መስርሕ፡ ኬንያታ ናብ ፋቂ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ብምኽንያት ዘለዎ ተገራጫዊ መደብ ኣብቲ ዘተ ሰላም ከም ዘይሳተፍ ኣፍሊጡ። ኣተሓሒዙ ንካልእ ቆጸራ ክትሓስቡ ከለኹም ግን ብዛዕባ ቅርጽን ኣገባባትን መዘራረቢ ተወሳኺ መብርሂ ምደለኹ ክብል ሓቲቱ። ዝሓለፈ ነሓሰ ካብ ስልጣን ዝወረደ ኬንያታ፡ ህጹጽን ዘይቅድሚ ኩነታዊን ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣብ ኣጀንዳ ቀንዲ ክኸውን ኣለዎ እውን ኢሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብቲ ልዝብ ንምስታፍ ድልዋት ኣለና ኢሎም ኔሮም`ዮም። እንተኾነ መራሒ ህወሓት ደብረጽየን ገብረሚካኤል እቲ ዕድመ ቅድሚ ምቕባሉ እቶም ሸምገልቲ ከምዘይኣማኸርዎ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብቲ ዘተ ብዛዕባ ዝሳተፉ ካልኦት ኣካላት፡ ከምኡ`ውን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነቶም ልኡኻቱ ዝግብሮ ከም ጉዕዞ ነፋሪትን ጸጥታን ኣብ ዝበለ ሎጂስትክስ ዝጻወቶ ተራ መብርሂ ሓቲቱ`ዩ። ብዛዕባ`ዚ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ካብ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ህወሓት ርእይቶ ሓቲቱ ኣይረኸበን። ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ግን ምስ ብርክት ዝበለ ደብዳብ ነፈርቲ ቀጺሉ`ሎ። ዝሓለፈ ዓርቢ ካብ መቐለ 30 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ ትርከብ ደንጎላት ዝተባህለት ዓዲ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ከም ዝነበረን ሓሙሽተ ምውታት ዝርከብዎም 42 ግዳያት ከምዝተቐበሉን ዳይሬክተር ሆስፒታል ዓይደር ክብሮም ገብረስላሰ ብትዊተር ኣፍሊጡ`ሎ። ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ግን ከረጋግጾ ኣይከኣለን። ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት፡ ቁጽሮም ዘይተነግረ ሲቪላት ከምዝቐተለን ሚልዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ኣፈናቒሉ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ፈጢሩ ከም ዘሎን ክግለጽ ጸኒሑ`ዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/doubt-over-ethiopia-peace-talks-as-kenya-envoy-says-won-t-attend\/6783547.html"} {"headline":"መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣትዮም ንዝበሎም 20 ኤርትራዊያን ኢትዮጵያዊያንን ከምዘባረረ ኣፍሊጡ","content":"መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ናብታ ሃገር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣትዮም ኢሉ ንዝኸሰሶም ልዕሊ 20 ኢትዮጵያዊያንን ኤርትራዊያንን ስደተኛታት ከምዘባርሮም ኣፍሊጡ።ሓደ ብዓል ስልጣን ሚንስትሪ ውሽጢ ሃገር ደቡብ ሱዳን እቶም ስደተኛታት ኣብ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ጁባ ከምዝተትሓዙ ገሊፆም። ጠቕላሊ ዳይሬክተር ምዝገባ ስቪል፣ዜግነት፣ፓስፖርትን ኢሚግሬሽንን ጀነራል ኣተም ማሮል ቢያር ገሊኦም ኢትዮጵያዊያንን ኤርትራዊያንን ኣብ መወዳእታ እዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ጁባ ኣብ ቐይዲ ምእታዎም ኣፍሊጦም። ሰበስልጣን ደቡብ ሱዳን እታ ሃገር ዝሓሸ ናብራ ዝደልዩ ነበርቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀንዲ መተሓላለፊት ትኸውን ኣላ ይብሉ። ናይ ምብራር ዕጫ ካብ ዘጋጠሞም ሽማ ክግለፀላ ዘይደለየት ጓል 27 ዓመት ኤርትራዊት ኣብ ደቡን ሱዳን ንምዕቋብ ካብ ሃገራ ከምዝወፀት ትዛረብ። ሰበስልጣን ኢሚግሬሽን ደቡብ ሱዳን ሕጋዊ መእተዊ ፍቓድ ንዘይብሎም ሰባት ክሕግዙ ከምዘይብሎም ጀነራል ቢያር ኣጠንቂቖም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%95%E1%8C%8B%E1%8B%8A-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%89%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%8E%E1%88%9D-20-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%89%A3%E1%88%A8%E1%88%A8-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6783595.html"} {"headline":"“ዘተ-ሰላም ኢትዮጵያ ብሰንኪ ቀረባት መሳለጥያ ተደናጒዩ” ሮይተርስ","content":"ብሕብረት ኣፍሪቃ ተማኢክሉ ኣብ ደቡብ-ኣፍሪቃ ክከየድ ተመዲቡ ዝነበረ መሰርሕ ዘተ-ሰላም ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መሪሕነት ክልል ትግራይን ብሰንኪ ቀረባት፡ ካብቲ ተመዲቡዎ ዝነበረ ቀዳም 8 ጥቅምቲ ከም ዝተመሓላለፈ ንዲፕሎማሳዊ ምንጭታት ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ። መንግስቲ ኢትዮጵያን መሪሕነት ክልል ትግራይን ነቲ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክቃናዕ ተመዲቡ ዝነበረ ዘተ ሰላም ምቕባሎም ይፍለጥ። እቶም ስሞም ክዕቀብ ዝሓተቱ ምንጭታት ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ከም ዝሓበሩዎ ምኽንያት ናይቲ ምድንጓይ--ዝርዝር ከይጠቐሱ-- ብሰንኪ መሳለጢ ቀረባት ምዃኑ ኣመልኪቶም። እቲ ንጽባሕ ቀዳመ ተመዲቡ ዝነበረ ዘተ ንመዓስ ከም ዝካየድ ዛጊት ኣይተሓበረን። ብዛዕባ’ዚ ምድንጓይ እቲ መደብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ግብረ-መልሲ ንምስምዕ ካብ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ፡ ኣማኻሪ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን፣ ወሃብ-ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፣ ወሃብ-ቃል ሕብረት ኣፍሪቃ ኢባ ካሎንዶ ዝገበሮ ፈተነ ከም ዘይሰለጠ ሓቢሩ። ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ምስ ዝስዕብ ምዕባለታት ከነስዕብ ኢና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%89%80%E1%88%A8%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%B3%E1%88%88%E1%8C%A5%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%8B%B0%E1%8A%93%E1%8C%92%E1%8B%A9-%E1%88%AE%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%88%B5-\/6780166.html"} {"headline":"ሕብረት ኤውሮጳ ንመጥቃዕቲ ህጻናት ኣብ ክልል ትግራይ ዝምልከት ውሳነ የሕሊፉ","content":"ሕብረት ኤውሮጳ ውሳነ ቍጽሪ 2022\/2858(RSP) ዝሰመዮ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት፡ ብሕልፊ ኣብ ክልል ትግራይ ዝወርድ ዘሎ ሰፊሕ ሰብኣዊ መግሃስታት ብትሪ ዝኹንን ውሳነ የሕሊፉ። ኤውሮጳዊ ሕብረት ነቲ ብጸጋማዊ ሰልፊ ዝቐረበ ንድፊ ትማሊ’ዩ የሕሊፉዎ። ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብቲ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ፈለማ ኢትዮጵያ ዝፈረመቶ ዓለምለኻዊ ውዕላት ብምዝርዛር፡ እንተዀነ ምስ ኲናት ትግራይ ተኣሳሲሩ ዝመጸ ሰፋሕቲ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ኣቐሚጡ። መግለጺ እቲ ሕብረት ከም ዝጠቕሶ፡ ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈላለየ ዞባውያንን ዓለማውያንን ውድባት፡ ንምቍራጽ ተጻብኦታት ዝምልከት በበይኑ ምሕጽንታን መተባብዒን እኳ እንተ ቐረበ፡ ዛጊት ግን መዕለቢ ዘይምርካቡ ኣመና ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ኣስሚሩ። ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ብኹላቶም ኣካላት--ማለት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ኤርትራ፡ ሚሊሻ ክልል ኣምሓራን ሰራዊት ትግራይን ጥሕሰታት ምፍጻሙ ይሕብር። ወሲኹ ድማ ነቲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ዝቐረበ ዳህሳስ መጽናዕቲ ዘለዎ ድጋፍ ይገልጽ። እንተዀነ ይብል እቲ ጽሑፍ፡ እቲ ኣሕዛኒ ወገኑ እቲ ኲናት ንሰለማዊ ህዝቢ ኣብ ምምዝባልን ምቕታልን ምቕጻሉ ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ሓቢሩ። መግለጺ ሕብረት ኤውሮጳ ብፍሉይ ዝጠቐሶን ዓንዲ ማእከል ናይቲ ውሳነ ዝገበሮን ግን ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝወርድ ዘሎ መቕዘፍቲን ምክልባትን’ዩ። ከም ሓበሬታ እቲ ውሳነ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ዘሎ ዕጽዋን ምጕንዳብ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን እቶም ቀንዲ ግዳያት ኰይኖም ዘለዉ ህጻናት’ዮም። ብሰንኩ ድማ ብስእነት ክታበት፡ መድሃኒታት፡ ደብዳብ ነፈርቲ ንሞትን ሓደርቲ ሕማማትን ይሳጥሑ ምህላዎም ይሕብር። ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መወዳእታ ነቲ ብበይኖም ሓይልታት ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ብትሪ ብምዅናን ዕለታዊ ምቍራጽ ተጻብኦታት ክግበር፣ በበይኖም ኣካላት እቲ ጎንጺ ንዝፈረሙዎ ስምምዓት ከተግብሩ፣ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ብሰንኪ’ቲ ኲናት ንዝተጠቕዑ ወገናት ዝሕግዙሉ መገድታት ክዓቢን ኣዘኻኺሩ። እቲ ሕብረት ድማ ህጹጽ ምምላስ መሰረታዊ ኣገልግሎት ናብ ክልል ትግራይን በቲ ኲናት ዝተጠቕዑ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ክግበር ጸዊዑ። መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ሕብረት ኤውሮጳ ዘሕለፎ ውሳነ ብዝምልከት፡ ፓርላማ ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ መሰረት ዘይብሉ ክሲ ብምቕራብ መረትዖ ዘይብሉ ክሲ ክሸይጥ ይፍትን ኣሎ ክብል ነቲ ውሳነ ሕብረት ኤውሮጳ ነጺጉዎ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%8B%8D%E1%88%AE%E1%8C%B3-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%83%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%88%85%E1%8C%BB%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%8B%A8%E1%88%95%E1%88%8A%E1%8D%89\/6780378.html"} {"headline":"እኽሊ ዝጸዓነት መርከብ ካብ ዩክሬን ናብ ኢትዮጵያ ምብጋሳ ሰብ መዚ ዩክሬን ገሊጾም","content":"ሓምሸይቲ መርከብ ፕሮግራም መግቢ ዓለም 30,000 ቶን ስርናይ ጽዒና ካብ ናይ ዩክሬን ወደብ ብላክ ሲ ተበጊሳ'ላ። እቲ እኽሊ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝበጽሕ ሚንስትሪ መሰረተ ልምዓት ዩክሬን ሎሚ ዓርቢ ምግላፁ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ፀብፂቡ። ዩክሬን ኣስታት 150,000 ቶን ስርናይ ናብ ኢትዮጵያ፣የመንን ኣፍጋኒስታንን ልኢኻ ኣላ። እቲ ሚንስትሪ ወሲኹ ሕቡራት ሃገራት ዘሳለጦ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ካብ ዝውዕል ጀሚሩ 6.4 ሚሊዮን ቶን ናይ ሕርሻ ምህርቲ ካብ ዩክሬን ከምዝወጸ ገሊፁ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%88%8A-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8B%93%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%A9%E1%8A%AD%E1%88%AC%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%8B%E1%88%B3-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%9A-%E1%8B%A9%E1%8A%AD%E1%88%AC%E1%8A%95-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/6780403.html"} {"headline":"ፕረዚደንት ኬንያ ንናይ ስራሕ ዑደት ኢትዮጵያ ኣትዩ","content":"ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ንክልተኣዊ ጸጥታዊን ካልእ ንግዳዊን ዝርርባት ንምክያድ ሎሚ ኣዲስ-ኣበባ ኣትዩ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝርከቦም ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ድማ ተቐቢሎሞ። ብመሰረት ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኬንያ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ንጉዳይ ቍጠባዊ ሽርክነት ክልተ ሃገራትን ካልእ ጉዳያትን ዘትዮም። “ዝምድና ክልተ ሃገራት ንጸጥታዊ ርግኣት እቲ ዞባ ኣመና ወሳኒ’ዩ፡” ዝበለ ፕረዚደንት ሩቶ፡ ሃገሩ ንግዳዊ ልውውጥ ክልተ ሃገራት ንምሕያል፡ ኢትዮጵያ ወደብ ላሙ ክትጥቀም ከም እትኽእለሉ መገዲ ከም ዝተዛረረቡ’ውን ተመልኪቱ ኣሎ። ክልቲኦም መራሕቲ ንምስፋሕ መርበብ ቴለፎን ሳፋርኮም ናብ ኢትዮጵያ ንምእታዉ’ውን ምዝርራቦም ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ። ኬንያ ኣብ ሽምግልና ግጭት ኢትዮጵያ መሪሕ ተራ ትጻወት ምህላዋ ይፍለጥ። ናይ ቅድም ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ንዘተ-ሰላም ፈደራል መንግስቲን ብህወሓት ዝምራሕ መሪሕነት ክልል ትግራይን ክሽምግል ብፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ተሓርዩ ኣሎ። ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ’ቲ ተበጋጊሱ ዘሎ ሓድሽ ዘተ-ሰላም ምዝርራቦም ግን ዛጊት ኣይተመልከተን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8A%AC%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%A9\/6778616.html"} {"headline":"ደርቂ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንሚልዮናት ኣብ ሓደጋ ጥምየት ከምዘእተወ ይግለጽ ኣሎ","content":"ደርቂ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንሚልዮናት ኣብ ሓደጋ ጥምየት ከምዘእተወ ይግለጽ ኣሎ። ፕሮግራም ሓለዋ ከባቢ ሕቡራት ሃገራት ዩ.ኤን.ኢ.ፒ ብሳታላይት ምምዝጋብ ካብ ዝጅምር፡ ገለ ክፋላት ኬንያ: ሶማል: ጅቡትን ኢትዮጵያን ዝደረቐን ዝወዓየን መጠን ሙቐት ይርኢ`ሎ ኢሉ። ብመሰረት ሎሚ ዓመት 2022 ዝወጸ ጸብጻብ፡ ለውጢ ክሊማ ማለት ሕጽረት ማይ:ድኽመት ሕርሻን ምጥፋእ ህይወትን ማለት ኮይኑ`ሎ። እቲ ሪፖርት ኣፍሪቃ ከም ኣህጉር ናብ ለውጢ ክሊማ 3% ዝተቓጸለ ትኪ ጥራሕ`ያ ተበርክት ይብል።መጽናዕቲ ሕቡራት ሃገራት እዚ ኮይኑ ግን እታ ኣህጉር ዘይርትዓዊ ዝኾነ ለውጢ ክሊማ ማዕበል ሙቐት:ደርቂ ከምኡ`ውን ካልኦት ኣዕነውቲ ዝኾኑ ኩነታት ትጻውር ኣላ ይብል። ኣብ ኬንያ ጥራሕ 4.1 ሚልየን ሓገዝ መግቢ ዘድልዮም ኣለዉ፡ 1.1 ሚልየን ካብኦም ህጹጽ መግቢ ዘድልዮም`ዮም። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብወገኑ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ መግቢ ዘድልዮም ሰባት ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት ጥራሕ ብሚልዮናት ወሲኹ`ሎ ይብል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%89%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%95%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B-%E1%8C%A5%E1%88%9D%E1%8B%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8A%A5%E1%89%B0%E1%8B%88-%E1%8B%AD%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BD-%E1%8A%A3%E1%88%8E\/6778666.html"} {"headline":"ተወላዶ ትግራይ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንህወሓት ዝቓወም ሰልፊ አካይዶም","content":"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ተወላዶ ትግራይ ትማሊ ኣብ ዘካየድዎ ንህወሓት ዘውግዝ ሰልፊ፥ ህወሓት ብዝምልከት ግጉይ መርገጺ የሰጉሙ ኣለው ንዝበልዎም ኤምባሲታት ኣመሪካን ብሪጣንያን'ውን መርገጺኦም ዝገልጽ ደብዳበ ኣብጺሖም። ኣብቲ ብልጽግና ፓርቲ ክልል ትግራይ ዘተሓባበሮ ሰልፊ ዝተኻፈሉ ተሳተፍቲ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ'ውን ደብዳበ ኣብጺሖም'ለዉ። እቲ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝነብሩ ተወላዶ ትግራይ ዝተኻየደ ሰልፊ ንህወሓት ዘውገዝን ንማሕበረሰብ ዓለም ዝጽውዕን እዩ ኔሩ። ሰልፈኛታት ካብ 6ኪሎ ዝተባህለ ቦታ ብምብጋስ ናብ ኤምባሲታት ኣመሪካን እንግሊዝን ከምኡውን ሕብረት ኣፍሪቃን ዘቅንዐ ዝተፈላለዩ ጭርሖታት ብምሓዝን መልእኽታቶም ብምቅላሕን እዩ። ብኻልእ ወገን ኣብ ክልል ትግራይ ዝንቀሳቀስ ፓርቲ ባይቶና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝርከቡ ሓላፊ ክፍሊ ሕጉ ኣቢሉ እዚ ብፓርቲ ብልጽግና ክልል ትግራይ ዝተዳለወ ሰልፊ ንህዝቢ ትግራይ ኣውክልንእዩ ኢሉ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B6-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%95%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%93%E1%8B%88%E1%88%9D-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D\/6777131.html"} {"headline":"ሕብረት ኣፍሪቃ ንፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን መሪሕነት ክልል ትግራይን ንምሽምጋል ዕድመ የቕርብ","content":"ጸሓፊ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሙሳ ፋኪ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየደ ዘሎ ኲናት ንምሽምጋል ውድቡ ናብ ክልተ ተቐናቐንቲ ኣካላት ዕድመ ምልኣኹ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ። ብመሰረት እቲ ተላኢኹ ዘሎ ናይ ዕድመ ደብዳበ እቲ ዝርርብ ሰላም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ’ዩ ክካየድ። ኣማኻሪ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ሬድዋን ሑሴን መንግስቱ ነቲ ዕድመ ከም ዝተቐበሎ ኣመልኪቱ። ኣምባሳድር ሬድዋን እቲ ዕድመ፡ ምስቲ ኣቐዲሞም ክብሉዎ ዝጸንሑ ዘተ ብዘይ ቅድመ-ኵነት’ውን ዝኸይድ ምዃኑ ጠቒሱ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ዘተ ሰላም ኣብ ክንዲ ኣብ ደቡብ-ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ክካየድ ከም ዝመርጽ ሓቢሩ ኣሎ። ብመሰረት እቲ ብጸሓፊ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ተላኢኹ ዘሎ ደብዳበ፡ ብፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታን ናይ ቅድም ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ፉምዚለ ምላምቦ-ንጋኩዋን (Phumzile Mlambo-Ngcuka) ዝድገፍ’ዩ። ምንጭታት ንድምጺ ኣመሪካ ከም ዘመልከቱዎ፡ እቲ ዘተ-ሰላም ብተዓዛብነት ኣመሪካ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ሕቡራት ሃገራትን ኢጋድን'ውን ከማእከል’ዩ። እዚ ናይ ደቡብ-ኣፍሪቃ ዕድመ ዛጊት ተፈቲኑ ካብ ዘሎ ዘተ-ሰላም እቲ ዝለዓለ ክብደት ተዋሂቡዎ ዘሎ'ዩ ክብል ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ኣዲስ ኣበባ ይሕብር። ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘካይዶ ልዝብ ሰላም ወከልቲ ትግራይ ክሳተፉ ንዘቅረበሎም ዕድመ ብሽም ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ከምዝተቀበሉ ዶ\/ር ደብረጽየን ገ\/ሚካኤል ኣፍሊጦም።\\n\\nዶ\/ር ደብረጽየን ኣብ ዝላኣኽዎ ደብዳቤ \"መንግስቲ ክልል ትግራይ፣ ኣብ’ቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንክሳለጥ መደብ ዝተታሓዘሉ ልዝብ ሰላም ንክሳተፍ ቅሩብ እዩ\" ኢሎም።\\n\\nዶ\/ር ደብረጽየን እቲ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ልዝብ ሰላም ምቁራጽ ተኹሲ ዝሓውስ እንተኾይኑ ክንፈልጥ ንደሊ ኢና’ውን ይብል።\\n\\nዶ\/ር ደብረጽየን ገ\/ሚካኤል ቅድሚ’ቲ ደብዳቤ ምጽሓፉ ዋላ’ውን እንተዘየማኸርኩምና ገለ ተወሳኺ መብርሂ ዘድልዮም ነጥቢታት ከምዘለው ክንሕብር ንደሊ። ሓደ ኣብ’ቲ ልዝብ ካልኦት ተዋሳእቲ ክህልው ድዮም? ንኣብነት ተዓዘብቲ፣ ኣውሓስቲ፣ ግደ ማሕበረ ሰብ ዓለም፣ ንክልል ትግራይ ወኪሎም ኣብ’ቲ ልዝብ ንዝሳተፉ ሰባት ዝዋሃቦም ሓለዋን ሎጂስትካዊ ድጋፍን ዝምልከት መብርሂ ንክዋሃብ ሓቲቱ ኣሎ። እቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝሽምግሎ ልዝብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን፣ ቀዳመምን ሰንበትን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክሳለጥ ትጽቢት ኣሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ካልእ ዜና፡ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዓዲ-ዳዕሮ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ድሮን፡ ብዝሒ ምዉታት ልዕሊ 50 ቍስላት ድማ ልዕሊ 70 ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንሰራሕተኛታት ረዲኤት ብምውካስ ጸብጺቡ። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ እቲ ኣሃዝ ኣብ መንጎ 50ን 60 ምዃኑ ነቶም ክልተ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ብምሕታት ዝረኸቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ ኣሎ። ብዛዕባ’ዚ ግብረ-መልሲ ንምርካብ ካብ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ለገሰ ቱሉ፡ ወሃብ-ቃል ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮነሬል ጌትነት ኣዳነን ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ቢልለኔ ስዩምን ዝገበሮ ፈተነ ከም ዘይሰለጦ እቲ ኣገልግሎት ዜና ሓቢሩ። እቲ ደብዳብ ድሮን፡ ተመዛበልቲ የዕቍቦምሉ ዝነበሩ ቤት ትምህርቲ ምህራሙ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ይጠቅስ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-tigrayregion-peace-talks\/6776814.html"} {"headline":"ኣቶ ክብሮም በርሀ ብዋሕስ ተፈቲሖም","content":"ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ልደታ መጋባእያ ኣቶ ክብሮም በርሀ ብዋሕስ ንኽወፁ ብዝሃቦ ውሳነ ሎሚ ሰኑይ ተፈቲሖም ኣለው። ድምፂ ኣመሪካ ፖለቲከኛ ኣቶ ክብሮም በርሀ ከም ዝተፈትሑ ካብ ባዕሎም ኣረጋጊፁ ኣሎ። ሓላፊ ጉዳይ ወፃኢ ውድብ ባይቶና ዝኾኑ ኣቶ ክብሮም ብዋሕስ ክፍትሑ ቤት ፍርዲ ዝወሰነ ዝሓለፈ ዓርቢ እኳ እንተነበረ እቲ ውሳነ ሎሚ’ዩ ተፈፂሙ። ቅድም ክብል ዓቃብ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ክብሮም ክሲ ክምስርት ናይ 10 መዓልቲ ቆፀሮ ተዋሂቡዎ እኳ እንተነበረ፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ክሲ ክቐርብ ኣይከኣለን። ፖሊስ ዝሓተቶ ናይ 14 መዓልቲ ተወሳኺ ናይ ምርመራ ጊዜ'ውን ብቤት ፍርዲ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ኣቶ ክብሮም በርሀ ዝርከቡዎም ሓሙሽተ ሰባት ነቲ ብመንግስቲ ፌደራል ፈጣሪ ራዕዲ ተባሂሉ ዝተሰየመ ህወሓት ሓገዝ ገንዘብ ብምሃብን ጎንፂ ዘጎሃህሩ መልእኽታት ብማሕበራዊ ሚድያ ብምንዛሕን ገበን ተጠርጢሮም 27 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ነይሮም። ናይቶም ተጠርጠርቲ ጉዳይ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ክረአ ዝጀመረ 25 ነሓሰ 2014 ዓ.ም እዩ ነይሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%88%80-%E1%89%A5%E1%8B%8B%E1%88%95%E1%88%B5-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%89%B2%E1%88%96%E1%88%9D\/6774005.html"} {"headline":"ሓይልታት ትግራይ ብወገን ሰሜን ወሎ ተቖፃፂሮምዎ ካብ ዝፀንሑ ከባቢታት ምውፅኦም ገሊፆም","content":"ብወገን ክልል ትግራይ እቲ ዘሎ ኲናት በላዕለዋይነት ዝመርሕ ዘሎ 'ማእከላይ ኮማንድ' ዝተባህለ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ካብ ክልል ኣምሓራ ምስሓቡ ገሊጹ። እቲ መግለጺ ከም ዝብሎ፡ ኣቐዲሙ ነቲ ሒዙዎ ዝጸንሐ ቦታት ንምቍጽጻር መደብ ጸኒሑዎ ዘይኰነስ ነቲ ዝወርድ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ምዃኑ ጠቒሱ፡ ሕጂ ግን ስትራቴጂካዊ ናይ ቦታ ምቅይያር ምግባሩ ሓቢሩ። እቲ መግለጺ ሰራዊቱ ብዘይውግእ ቦታ ከም ዝለቐቐ ክጠቅስ እንከሎ፡ ኣድላይ ምስ ዝኸውን’ውን ክምለሱ ከም ዝኽእሉ ይጠቅስ። እቲ ብማእከላይ ኮማንድ ዝወጽአ ጽሑፍ ዝተለቐቑ ቦታታት ብስሞም ኣይጠቐሰን። እንተዀነ ኣባል እቲ መሪሕነትን ወሃብ-ቃል ህወሓትን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ትዊተር ከም ዘስፈሮ እቶም ቦታታት ሰሜን ወሎ ምዃኖም ጠቒሱ ኣሎ። ብዛዕባ’ዚ ዳሕራይ ምዕባለታት ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተወሃበ መግለጺ ዛጊት ኣይረኸብናን። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ካልእ ምዕባለታት፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ማይክ ሃመር ተኽእሎታት ሰላም ኣብ ኢትዮጵያ ምስ በበይኖም ኣካላት ንምዝርራብ ካብ ሎሚ 3 ጥቅምቲ ክሳብ 18 ጥቅምቲ ናብ ኬንያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን ክበጽሕ ምዃኑ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ዕላማ እቲ ፍሉይ ልኡኽ--ብሕልፊ ኣብ ኬንያን ደቡብ ኣፍሪቃን ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝምራሕ ዘተ ሰላም ንምፍታሽ ምዃኑ እቲ ዜና ይጠቅስ። ኣምባሳደር ሃመር ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ዑደቱ ምስ ሰበ-ስልጣን መንግስቲን ላዕለዎት መሪሕነት ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ክራኸብ ተመዲቡ ኣሎ። እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብቲ ዞባ ኣንጻላልዩ ብዛዕባ ዘሎ ደርቂን ንኣገዳስነት ተሓታትነት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዘሎ ግጭትን ኣመልኪቱ’ውን ክዘራረብ ምዃኑ ተመልኪቱ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%8B%88%E1%8C%88%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%8B%88%E1%88%8E-%E1%89%B0%E1%89%96%E1%8D%83%E1%8D%82%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%8E-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8D%80%E1%8A%95%E1%88%91-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%8D%85%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8D%86%E1%88%9D\/6773703.html"} {"headline":"ዓመታዊ በዓል ኢሬቻ ተጸንቢሉ","content":"ዓመታዊ በዓል ኢሬቻ ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ተጸንቢሉ።ናይ ኣዲስ ኣበባ ሆራ ፍንፍኔ ድሕሪ ምኽባሮም ናብ ቢሾፍቱ ዘምርሑ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብቲ በዓል ተሳቲፎም ኣለው። ገለ ጎደናታት ንናይ ህዝቢ መካይን ዕፅው ብምዃኖም ካብ ኣዲስ ኣበባ ብቐጥታ ዝመፁ ገለ ተሳተፍቲ ምንግልትኦም ገሊፆም ኣለው። ናይ ሆራ ኣርሰዴ መኽበሪ ቦታ ዝሓሸ ትሕተ ቅርጺ ክስርሓሉ እውን እቶም ተሳተፍቲ ሓቲቶም። ብናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ትምህርቲ:ሳይንስን ባህልን ወኪል ዩኒስኮ (UNESCO) ባህላዊ ሓድግታት መዝገብ ዝሰፈረ ናይ ገዳ ስርዓት ኣካል ዝኾነ ናይ ሆራ ኣርሰዴ ኢሬቻ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብድሙቕ ካብ ዝኽበሩ በዓላት ሓደ እዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8A%A2%E1%88%AC%E1%89%BB-%E1%89%B0%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%89%A2%E1%88%89\/6773933.html"} {"headline":"ኢትዮጵያን ሶማልን በዓል 10 ነጥቢ ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺኣን","content":"ድሕሪ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓመድ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈጸምዎ ወግዓዊ መገሻ፣ ክልቲኤን ሃገራት፣ በዓል ዓሰርተ ነጥቢታት ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺኤን። ብመሰረት’ዚ፣ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ክሕይል፣ ኣብ ሶማል ህድኣትን ህንጸት ሃገርን ንክዕወት መስዋእቲ ንዝኸፈል ዝበልዎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝንእዱ፣ ኣብ ልዕሊ ሽብርተኛነትን ጽንፈኝነትን ሓቢሮም ክሰርሑ፣ ናይ ወጻኢ ምትእትታው ምጎድል፣ ነቲ ዞባ ኣጓኒፍዎ ዘሎ ሓደጋ ደርቂ ዞባዊ ምትሕብባር ክገብሩ፣ ኣብ ርክብ ንግዲን ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ ክሕይል ዝብሉን ካልኦትን ኣብ’ቲ መግለጺ ተጠቂሱ ኣሎ። ነቶም ፕረዚደንት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተቀበልዎም ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ከምዝኾኑ’ውን እቲ ዜና ይሕብር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-10-%E1%8A%90%E1%8C%A5%E1%89%A2-%E1%88%93%E1%89%A3%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%8C%BA%E1%8A%A3%E1%8A%95\/6770493.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ዋጋ ነዳዲ 20 ሚእታዊት ወሲኹ","content":"ዋጋ ነዳዲ ኣብ ኢትዮጵያ ብ20 ሚእታዊት ወሲኹ። መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ነዳዲ ይገብሮ ዝነበረ ድጎማ ድሕሪ ምልዓሉ፣ ኣብ’ታ ሃገር ዝነበረ ቁጠባዊ ጸገም ንክዓሙቅ ጠንቂ ኮይኑ ከምዘሎ’ውን እቲ ዜና ሓቢሩ። መንግስቲ፣ ነቲ ይልግሶ ዝነበረ ድጎማ ኣብ ወርሒ ሓምለ ምልዓል ምስጀመረ፣ ዋጋ ነዳዲ ብ30ን 40ን ሚእታዊት ከምዝወሰኸ፣ ዘወርቲ መካይን ከቢድ ሕጽረት ነዳዲ ስለዘጋጠሞም፣ ኣብ ነዊሕ መስርዕ ኣትዮም ንክጽበዩ ከምዝተገደዱን ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኤ.ኤፍ.ፒ ሓቢሩ'ሎ። ሚንስትሪ ንግዲ’ታ ሃገር ዋጋ ነዳዲ ንዕዳጋ ዓለም ብዘንጸባርቅ ኣገባብ ሓድሽ ዋጋ ነዳዲ ካብ መወዳእታ መስከረም ጀሚሩ ክትግበር’ዩ ከምዝበለ’ውን እቲ ዝመጸ ዜና ጠቂሱ አሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ዋጋ ናፍታ ናብ 58:90፣ ዋጋ ቤንዚን ድማ 57:05 እዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%8B%E1%8C%8B-%E1%8A%90%E1%8B%B3%E1%8B%B2-20-%E1%88%9A%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%88%B2%E1%8A%BD-%E1%8A%A3%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%A9\/6770503.html"} {"headline":"ኤርትራውያን ስደተኛታት መዓስከር ዳባት ጉዳዮም ኣቓልቦ ክወሃቦ ይጽውዑ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ወረዳ ዳባት መዓስከር ኣለምዋጭ ዘለው ስደተኛታት ኤርትራ ናይ መግቢን መሰረታዊ ግልጋሎትን ፀገም ከም ዘጋጠሞም ይማርሩ ኣለዉ። ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት(UNHCR) ብወገኑ ነቶም ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ ዘለው ስደተኛታት ሓገዝ የቕርበሎም ከምዘሎ ንድምፂ ኣመሪካ ብኢሜይል ኣብዝሃቦ ምላሽ ገሊፁ። እቲ ኮሚሽን’ውን ኣጋጢሙዎ ንዘሎ ሕጽረት ቀረባት ጠቒሱ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%B5%E1%8A%A8%E1%88%AD-%E1%8B%B3%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%93%E1%88%8D%E1%89%A6-%E1%8A%AD%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A6-%E1%8B%AD%E1%8C%BD%E1%8B%8D%E1%8B%91\/6768825.html"} {"headline":"መበገሲ ሕማም ዓበቕን ሜላ መከላኸሊታቱን","content":"ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብኢሱ ዝቐፀለ ኲናት ዝመበገሲኡ ምምዝባላት ሰባትን እኹል ቀረባት ኣፋውስን ሕክምናን ብዘይምርካቦም ሰባት ብቐሊሉ ክሓውዩ ብዝኽእሉ ሕማማት ቆርበት ንዝኸፍኡ ሓደጋታት ይሳጥሑ ምህላዎ ፀብፃባት ይሕብሩ። ካብኦም ሓደ ንዝኾነ ሕማም ዓበቕ (ሽሑር) እዩ። ንሎሚ መበገሲ ሕማም ዓበቕን ሜላ መከላኸሊኡን ዝጠመተ መብርሂ ክህቡና ኣብ ዩኒቨርስቲ ሕክምና ዓይደር መምህርን ሓኪምን ዝነበሩ ኣብዚ እዋን ኣብ ካናዳ ዩኒቨርስቲ ማክጊሊ ንዝለዓለ ትምህርቶም ኣብ ምክትታል ዝርከቡ ዶ\/ር ኣቤል ጊደይ ከበዶም ኣዘራሪብናዮም ኣሎና። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%A0%E1%8C%88%E1%88%B2-%E1%88%95%E1%88%9B%E1%88%9D-%E1%8B%93%E1%89%A0%E1%89%95%E1%8A%95-%E1%88%9C%E1%88%8B-%E1%88%98%E1%8A%A8%E1%88%8B%E1%8A%B8%E1%88%8A%E1%89%B3%E1%89%B1%E1%8A%95\/6769091.html"} {"headline":"መግለጺ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ንኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰላም ንምፍታሕ ድልዉ ኣይኮነን ብምባል ሓደ ነቲ ሓደ ምክሳሶም ቀጺሎም'ለዉ። ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኢትዮጵያ ንኸይዲ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘለዋ መርገጺ ጸኒዓ እያ ዘላ ኢሉ። ህወሓት ብወገኑ ብሕብረት ኣፍሪቃ ንዝምራሕ ከይዲ ሰላም ብዘይቅድመ ኹነት ከም ዝቅበል ዘፍለጠ እዃ እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ናይ ህወሓት መግለጺ ዛጊት ቀጥተኛ መልሲ ኣይሃበሉን። ብዛዕባ እዚ ዝተሓተቱ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር መለስ ኣለም ንመርገጺ ኢትዮጵያ ካብ ምርግጋጽ ሓሊፎም ብዛዕባ እቲ ምላሽ ህወሓት ኣየልዓሉን። ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ምትእምማን ብዘይምህላዉ ነቲ ኹናት ሰላማዊ መፍትሒ ክርከቦ ኣይተኻእለን ክብሉ ምግላጾም ይዝከር። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ፡ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ማዕቀብ ንምግባር ሰነት ኣመሪካ ምስማዕ መሰኻኽር ኣብ ዘካየደሉ ከይዲ ዘተ፡ ጉዳይ ኢትዮጵያ’ውን ተላዒሉ ነይሩ። ኣቦ-መንበር ኮሚተ ዝምድናታት ወጻኢ ዝዀኑ ኣባል ሰነት ቦብ መንደዝ ሃገሮም እተርእዮ ዘላ ድርብ መለክዒታት ነቒፎም። እቶም ኣቦ-መንበር ኣብ ርእይቶኦም፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝካየድ ማዕቀብ ዝድገፍን ዝግበኦን ደኣ ይዅን እምበር፡ ሓያሎ ሰፋሕቲ ጥሕሰታት ግን ብወገን ኣመሪካ ንኡስ ኣቓልቦ ይረክብ ምህላዉ ንምሕባር፡ ንተግባራዊ ውሳነ ጸዊዖም። ቦብ መንደዝ ኣብ ዘረባኦም፡ ኣመሪካ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ብዝርአ ዘሎ ሰፋሕቲ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ኤርትራ ናይ እገዳ ስጉምታት ደኣ ትውሰድ እምበር፡ ዛጊት ዝዀነ በዓል-ስልጣን ኢትዮጵያ በቲ ዝፍጸም ዘሎ ሰብኣዊ ህልቂት እገዳ ክግበረሉ ዘይምኽኣሉ ኣመና ዘተሓሳስብ’ዩ ኢሎም። ብኻልእ ዜና ፕረዚደንት ሶማል ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ዘለዉ ዑደት ብዝምልከት ክልቲአን ሃገራት ዝተፈላለየ ስምምዕ ከምዝገበራ ኣምባሳደር መለስ ኣለም ገሊጾም'ለዉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/6769072.html"} {"headline":"ኮሚሽን ሰ\/መስላት ኢትዮጵያ ሓይልታት ጸጥታ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ጋምቤላ ቀቲሎም ክብል ሓቢሩ","content":"በመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝምወል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ክልል ጋምቤላ ምስ ዕጡቓት ኣብ ዝነበሮም ግጭት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሲቪላት ቀቲሎም ኢሉ። ብመሰረት`ቲ ሪፖርት እቲ ሞት ሲቪላት ዘጋጠመ ዝሓለፈ ሰነ 14 ምስ ዕጡቓት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ግንባር ሓርነት ጋምቤላን ኣብ ዝተኻየደን ሰዓታት ዝወሰደን ውግእ`ዩ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ድሕሪ እቶም ዕጡቓት ካብታ ከተማ ምውጽኦም፡ ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ ጋምቤላ ገዛ ገዛ ብምፍታሽ ነቶም ዕጡቓትን ብረትን ሓቢእኩም ንዝበልዎም ቀቲሎም ይብል። እቲ 13 ገጽ ዝሓዘ ሪፖርት በቲ ብንጽልን ብጅምላን ዝተገበረ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 50 ሲቪላት ምሟቶም ይገልጽ። ኣብቲ ኮሚሽን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጋምቤላ ኣቶ ኣበል ኣዳነ እቲ ቕትለት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት`ታ ከተማ ከምዝተፈጸመ ይገልጽ። \"ገለ ሰባት ኣብ ገዝኦም ገሊኦም ድማ ኣብ ጽርግያ እናኸዱ ከለዉ ዝተቐትሉ`ዮም። ንኣብነት ኣብ መጽናዕትና ካብ ዝረኸብናዮ ሓደ ነገር ሓደ ፍሉይ ሓይልን ሓደ ፖሊስ ከተማን ብውሕዱ 11 ሲቪላት ኣብ ሓደ ገዛ ከምዝቐተሉ`ዩ።\" ብርክት ዝበሉ ሰባት ድማ ናብ መደበር ፖሊስ ከምዝተወስዱን ንሳቶም`ውን ጸኒሖም ከምዝተቐተሉ ኣቶ ኣበል ወሲኹ ይገልጽ። እቲ ሪፖርት ምስ 58 ሰባት ኣብ ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ ዝተመስረተ ኮይኑ ቤተሰብ ግዳያት`ውን ዝሓወሰ`ዩ። እቲ ኮሚሽን ብተወሳኺ ዕጡቓት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ዕጡቓት ግንባር ሓርነት ጋምቤላን`ውን ሸውዓተ ሲቪላት ከምዝቐተሉ፡ ሽዱሽተ ካልኦት ድማ ኣብ ማእከል ተኹሲ ከምዝተቐተሉ ጸብጺቡ`ሎ። ብዛዕባ`ቲ ሪፖርት ካብ መንግስቲ ርእይቶ ንምስማዕ ተፈቲኑ ኣይተረኽበን። ኮሚሽን ፖሊስ ጋምቤላ ግን ነቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ተሓተቲ እቶም ዕጡቓት ተቓወምቲ`ዮም ኢሉ`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-security-killed-civilians\/6768567.html"} {"headline":"ብሰንኪ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝረኣ ጎንጺ ኣሽሓት ሰባት ካብ መነባብርኦም ይመዛበሉ","content":"ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ደባይ ተዋጋእቲ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ጀሚሮም መጥቃዕቲ ኣብ ዝኸፈትሉን ሚሊሻ ክልል ኣምሓራ ምግሃሳት ፈጺሞምሉ ተባሂሎም ኣብ ዝተኸሰስሉን ክልል ኦሮምያ ኣሽሓት ሰባት ካብ መነባብርኦም ከምዝተመዛበሉ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ሸኔ ብምባል ዝጽውዖ ንገዛእ ርእሱ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ጉጅለ ግን ንሰላማውያን ሰባት ከምዘየጥቅዕ ንድምጺ ኣመሪካ ኣፍሊጡ። ካብ ክልል ኣምሓራ ተበጊሶም መጥቃዕቲ ፈጺሞም ዝተባህሉ ፋኖ ብምባል ዝጽውዑ ዕጡቃት ግን ምላሾም ምርካብ አይተኻእለን። ሪፖርተር ድምጺ ኣመሪካ ነቶም ካብቲ ጎንጺ ሃዲሞም በብመዓልቱ ዝመጹ ንምዝርራብ ነቲ ኣብ ደብረ ብርሃን ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ በጺሑ'ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%8A%A3-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%88%BD%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%90%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8B%AD%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%89\/6765289.html"} {"headline":"ኤርትራዊ ድምጻዊ ኢያሱ ተስፋሁነይን ኢትዮጵያዊ ድምጻዊ ማዲንጎ ኣፈወርቅን ዓሪፎም","content":"ኤርትራዊ ድምጻዊ ኢያሱ ተስፋሁነይን ኢትዮጵያዊ ድምጻዊ ማዲንጎ ኣፈወርቅን ትማሊ ሰሉስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓሪፎም። ብባህላዊ ጸወታት ጓይላ ትግርኛ ደርፍታቱ ዝያዳ ዝልለ ድምጻዊ ኢያሱ ተስፋሁነይ ናብ ትማሊ ሰሉስ ናብ ዘውግሐ ለይቲ ብሓደጋ መኪና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምዕራፉ ኣዕሩኽቱን ቀረብቱን ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ድምጻዊ ኢያሱ ሰለስተ ኣልቡማትን ካልእ ንጽል ደርፍታት ዘፍረየ ኰይኑ፡ ኣብ ብዙሕ መድረኻት ድማ ይጻወት ነይሩ። ድምጻዊ ኢያሱ ምስ ዝበዝሐ ተዓዘብቲ ዝተፋለጠ ኣብ ቀዳማይ ፈላማይ ውድድር ሽንግርዋ ብዝነበሮ ግደን ሳልሳይ ኮይኑ ሞዕዋቱን ከምኡ ድማ ከም ናይ በረኸት መንግስትኣብ ዝኣመሰሉ ናይ ቀደም ደርፍታት ብዘርኣዮ ናይ ምድጋም ብቕዓትን’ዩ። ንእሽቶ ሓዋ ንገዲም ድምጻዊት ተበርህ ተስፋሁነይ ዝዀነ ኢያሱ፡ ቀብሩ ኣብ ኣስመራ ክፍጸም ምዃኑ እቲ ዝበጽሓና ዜና ይሕብር። ድምጻዊ ኢያሱ ኣብ መበል 50 ዓመት ምማቱ ስድራቤቱ ካብ ኣስመራ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ድማ፡ ብልዑል ተውህቦኡ ናይ ብዙሓት ኣፍቀርቲ ሙዚቃ ኣቓልቦ ዝሰሓበ ኢትዮጵያዊ ድምጻዊ ማዲንጎ ኣፈወርቂ ብዝሓደሮ ሕማም ብሞት ተፈልዩ`ሎ። ማዲንጎ ትማሊ ባዕሉ መኪና እናዘወረ ናብ ሕክምና ምስ ከደ ኣብ ሕክምና ከምዝዓረፈ ናይ ሞያ ብጾቱ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም ኣለዉ። ስነ-ስርዓት ቀብሩ ጽባሕ ሓሙስ ኣብ ቅድስቲ ስላሰ ካተድራል ከም ዝካየድ ወሃቢ-ቓል ኮሚቴ ምድላው ቀብሪ ዝኾነ ሰይፉ ፋንታሁን ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ`ሎ። ብዛዕባ ሞት ማዲንጎ ኣፈወርቂ መልእኽቲ ዘሕለፈ ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ማዲንጎ ብሞት ምፍላዩ ሓዘኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ “ማዲንጎ ኣብ ሓጺር ዕድሚኡ ብዙሕ ዝሰርሐ” ክብል ገሊጽዎ`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BB%E1%8B%8A-%E1%8A%A2%E1%8B%AB%E1%88%B1-%E1%89%B0%E1%88%B5%E1%8D%8B%E1%88%81%E1%8A%90%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BB%E1%8B%8A-%E1%88%9B%E1%8B%B2%E1%8A%95%E1%8C%8E-%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%85%E1%8A%95-%E1%8B%93%E1%88%AA%E1%8D%8E%E1%88%9D\/6767101.html"} {"headline":"ፕረዚደንት ሶማል ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሞም","content":"ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ናይ ስራሕ ዑደት ንምፍጻም ረቡዕ 28 መስከረም ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም። ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ዝተቐበሎም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንኽልቲኡ ሃገራት ኣብ ዝምልከት ዕዉት ዝርርብ ምክያዶም እቶም መራሕቲ ብመገዲ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሑዎ ሓጺር ሓበሬታ ኣመልኪቶም። ፕረዚደንት ሓሰን ንኽልተ ሃገራት ዘጋጥመን ዘሎ ብድሆታትን ዕድላትን ምዝታዮም ሓቢሮም። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሶማል ብኣልሸባብ ዝግበር መጥቃዕታት ናብ ዶብ ኢትዮጵያ’ውን ብምስጋሩ ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ ምህላዉ ይፍለጥ። ኣብ መንጎ ካልእ ጉዳያት ክልተ መራሕቲ ንጸጥታዊ ጉዳያት እቲ ዞባ ኣመልኪቶም ክዛራረቡ ምዃኖም ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%9E%E1%88%9D\/6768562.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ዶ\/ር ኣረጋይ ግርማይ","content":"ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም ብሰንኪ ኮቪድ19 ዘጋጥም መልከፍቲን ሞትን ኣብዚ ቀረባ እዋን እናቆልቆለ ከምዝርከብ ገሊፁ ኣሎ። ብኻልእ ወገን ሕማም ፍንጣጣ ህበይ ( MonkeyPox ) ብውድብ ጥዕና ዓለም ለበዳ ተባሂሉ ኣሎ።ብዛዕባ እዚ መብርሂ ክህበና ንሓኪም ስድራ ዝኾነ ዶክተር ኣረጋይ ግርማይ ኣዘራሪብናዮ ኣለና። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%88%A8%E1%8C%8B%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%88%AD%E1%88%9B%E1%8B%AD\/6765721.html"} {"headline":"ስነ ስርዓት ኣከባብራ በዓል መስቀል ኣብ ከተማ ኣስመራ","content":"በዓል መስቀል ሎሚ ሰሉስ 27 መስከረም ኣብ ምሉእ ኤርትራ ብድምቀት ተኸቢሩ። ናይ ሎሚ ዓመት በዓል መስቀል ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምእመናንን ነበርት ኣስመራን ኣብ ዝተረኽብሉ’ዩ ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ብዓቢ ድምቀት ተኸቢሩ።ነቲ ናይ መስቀል ናይ ዳመራ ስነ ስርዓት ብኣካል ክሳተፍዎ ብምብቅዖም ፍሉይ ሓጎስ ከምዝተሰምዖ ንድምጺ ኣመሪካ ርእይቶኦም ዝካፈሉ ተሳተፍቲ ተዛሪቦም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%AB-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%89%80%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB\/6765606.html"} {"headline":"ስነ ስርዓት ኣከባብራ በዓል መስቀል ኣብ ከተማ መቐለ","content":"በዓል መስቀል ሎሚ ዓመት ንኻልኣይ እዋኑ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ቀጽሪ ኣብያተ-ክርስትያናት ተዘኪሩ። እዚ ብሰንኪ ስግኣታት ደብዳብ ድሮን ምዃኑ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ከተማ መቐለ ሓቢሩ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%AB-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%89%80%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88\/6765598.html"} {"headline":"መግለጺ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ","content":"\"መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይን፣ ተጻብኦ ብቅጽበት ደው ኣቢሎም፣ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ልዝብ ዝተመስረተ ስምምዕነት ንክበጽሑ\" ኣመሪካ ክትጽውዕ ምጽንሓ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ ገሊጹ። ኔድ ፕረይስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ካብ ሞንጎ ዝቀረቡ ሕቶታት ሓደ 'ኣመሪካ ንሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ እያ ትድግፍ\" ዝብል ቅሬታ ንዘለዎም ሰባት ዘለካ መልሲ እንታይ እዩ ዝብል ነይሩ። ኔድ ፕራይስ ክምልስ ከሎ \"ንሕና ንሰላም ኢና ንድግፍ፣ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ህድኣትን ጸጥታን ኢና ንምነ። መልእኽትና ንጹር እዩ፣ ክልቲኦም ወገናት ብልዝብ ኣብ ስምምዕነት ይብጽሑ ዝብል እዩ\" ኢሉ። ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ ወሲኹ \"ብዛዕባ ኤርትራን ሰበ ስልጣን ኤርትራ’ውን ዘለና መርገጺ ንጹር እዩ። ሰራዊቶም ናብ ዶቦም ብቅጽበት ይስሓቡ፣ ከምኡውን ኤርትራን ካልኦትን ነቲ ውግእ ካብ ምጉህሃር ይቆጠቡ\" ዝብል እዩ ኢሉ። ናብ ኔድ ፕራይስ ዝቀረበ ካልእ ሕቶ ጉዳይ ኣግዋ እዩ። ምምሕዳር ባይደን ነቲ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኣመሪካ ካብ ቀረጽ ናጻ ዘእቱ ዕድል ኣግዋ ናብ ንቡር ክመልሶ ድዩ ዝብል ነይሩ። ኔድ ፕራይስ ኣብ ዝሃቦ መልሲ \"ዕድል ኣግዋ ኣብ ሕጊ ዝተመስረተ እዩ። ረቋሒታት ኣለዎ። ኢትዮጵያ ነቲ ረቋሒታት ምስ ተማልእ ዘይትምለሰሉ ምኽንያት አይክህሉን\" ከምዝበለ ዝመጸና ዜና ገሊጹ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A2-%E1%89%83%E1%88%8D-%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/6765319.html"} {"headline":"ሚ\/ጉ\/ወ\/ ኤርትራ ኣብ መደረ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕ\/ሃገራት ኤርትራ ግዳይ ዓለማዊ ዘይምዕሩይነት ምዃና ጠቒሱ","content":"ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ሎሚ ሰኑይ 26 መስከረም ኣብ ኒው-ዮርክ ኣብ ዝጋባእ ዘሎ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ለበዳ ኮቪድ19ን ካልእ ዓለማዊ ዘይምዕሩይነትን ንሓያሎ ሃገራት ደቡብ ከም ዝሃሲ ጠቒሱ። ሚኒስተር ዑስማን ኣብ መደረኡ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ በበይኑ ሰብ-ሰርሖን ባህርያዊን ሳዕቤናት ድሕሪ ምዝርዛር፡ ኤርትራ ግዳይ ናይቲ ዘይምዕሩይ ዓለማዊ ቅርጺ ምዃና ጠቒሱ። ኤርትራ ብሰንኩ ግዳይ ናይቲ “ግጉይ” ዝበሎ እገዳታት ምዃና ዘመልከተ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣስዒቡ፡ “ብመገዲ ኣገልገልቲ ሓይልታት ቀጻሊ ግጭትን ዘይምርግጋእን ምፍጣር፤ ከምኡ’ውን ንሰብኣዊ መሰላት ከም መሳርሒ ተጠቒምካ፡ ነዛ ሓዳስ ሃገር ምግላልን ምንጻልን ካልእን ዘጠቓልል ተግባራት ተኻዪዱን ይካየድ ኣሎን፡” ክብል ገሊጹ። ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ሚኒስተር ነቲ ዝጠቕሶ ዘይምዕሩይ ቅርጺን ኣገባባትን ዓለማዊ ከይዲ ንምእራም ዝበሎ ኣርባዕተ ነጥብታት ኣቐሚጡ። እቶም ብሚኒስተር ዑስማን ዝተዘርዝሩ ነጥብታት ምዕሩይ ዓለማዊ ፍትሒን ዝርጋሐ ሃብቲን ንምትዕርራይ ተባሂሎም ተዘርዚሮም ኣለዉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%B0%E1%88%A8-%E1%88%93%E1%8D%88%E1%88%BB%E1%8B%8A-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%88%95-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8C%8D%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9B%E1%8B%8A-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%A9%E1%8B%AD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%93-%E1%8C%A0%E1%89%92%E1%88%B1\/6763627.html"} {"headline":"ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ክልል ትግራይ ብመጥቓዕቲ ድሮን ሓንቲ መኪና ምህራማን መራሒኣ ምቑሳሉን ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ድሮን ብዝተተኮሰ ስብርባሪ ሰብኣዊ ረድኤት ንዝፀዓነት መኪና ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሃሪሙ ንመራሕ መኪና ምቑሳሉ ወሃቢ ቃል'ቲ ትካል ሎሚ ሰኑይ ገሊፁ። ወኪል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንኣስታት ክልተ ዓመት ዝቐፀለን ንኣሽሓት ቀቲሉ ንሚሊዮናት ኣብ ዘመዛበለን ግጭት ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ከወሃህድ ፀኒሑ እዩ። እቲ ወሃቢ ቃል ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝስደዶ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ \"ኣብ ጥቓ ወረዳ ዛና ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ 25 መስከረም ንጉሆ ደብዳብ ድሮን ከምዝተፈፀመ ፀብፃብ በፂሑዎ ኣሎ’’ኢሉ። እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ \"ካብቲ ደብዳብ ዝተወርወረ ስብርባሪ ንኮንትራት ሰራሕተኛ'ቲ ትካል ኣቑሲሉ ኣብ ልዕሊ እታ ናይ ጽዕነት መኪና መጠናዊ ጉድኣት ኣውሪዱ ኣሎ’’ ኢሉ ። እታ ናይ ፅዕነት መኪና ኣብ ክልል ትግራይ ንተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ መግቢ ተግዕዝ ከምዝነበረት ተሓቢሩ ኣሎ። ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ክልተ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት እቲ መጥቓዕቲ ከምዝተፈፀመ ብምርግጋፅ ናይታ ዝተጎድአት መኪና ስእሊ ሂቦም ኣለው። ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኣቶ ለገሰ ቱሉ፣ወታሃደራዊ ወሃቢ ቃል ኮሎኔል ጌትነትን ወሃቢት ቃል ቀዳማይ ሚንስትር ቢልለኔ ስዩምን ርእይትኦም ክህቡ ተሓቲቶም ምላሽ ኣይሃቡን። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ክልል ትግራይን ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን 13 ሚሊዮን ሰባት ‘’ረድኤት መግቢ ኣዚዩ የድልዮም ኣሎ’’ ይብል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8B%B5%E1%88%AE%E1%8A%95-%E1%88%93%E1%8A%95%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%8A%AA%E1%8A%93-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AB%E1%88%9B%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%92%E1%8A%A3-%E1%88%9D%E1%89%91%E1%88%B3%E1%88%89%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6763601.html"} {"headline":"ዕላል ምስ ስነ ጥበበኛ ዘካርያስ ቴድሮስ","content":"ዘካርያስ ቴድሮስ ኩሉ መደያዊ ስነ-ጥበበኛ እዩ። ኣብ ኤርትራ ከሎ ዝጀመሮ ምስትምሃር ስእልን ኢደ-ጥበብን ኣብ ጀርመን'ውን ቀጺልዎ'ሎ። ዘካርያስ ቴድሮስ ኣብታ 'መለሳ' ትበሃል ናይ ዩቱብ ማዕከን ስነጥበብ፡ ምስ ዲጂታላዊ ቁጠባ ኣተኣሳሲሩ'ውን ኣስተምህሮታት ይህብ`ዩ። ኣብዚ መደብ ቂሔ-ጽልሚ ኣብ ዓውደ ስነጥበብ ጥራይ ኢና ኣተኩርና ኣዘራሪብናዮ ኣለና። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%95%E1%88%8B%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%8C%A5%E1%89%A0%E1%89%A0%E1%8A%9B-%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%88%AD%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%89%B4%E1%8B%B5%E1%88%AE%E1%88%B5\/6760751.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ መቐለ ብዝተኻየደ ደብዳብ ድሮን ሓደ ሰብ ምቕታሉ ሰብ-መዚ ሕክምና ገሊጾም","content":"ሎሚ ዓርቢ 13 መስከረም 2015 (23 መስከረም 2022) ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ኣብ ከተማ መቐለ ዓዲ ሓውሲ ኣብ ዝበሃል መንበሪ ኣባይቲ ብዝተኻየደ ደብዳብ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ኣብ ከባቢ 60 ዓመታት ዝርከቡ ኣቦ ምቕታሎም ዳይረክተር ሪፌራል ሆስፒታል ዓይደር ዶክተር ክብሮም ገብረስላሴ ንድምፂ ኣመሪካ ሓቢሮም። እቶም ዝተቐትሉ ኣቦ ከብቶም ክከታትሉ እንከለዉ ከም ዝተሃርሙ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ። በቲ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይትን መሰረተ ልምዓት ሓይሊ መብራህቲ እቲ ከባቢን እውን ጉድኣት ኣብፂሑ ክብል ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ መቐለ ፀብፂቡ። ሮይተርስ ካብ ወሃብ-ቃል ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነን ሚኒስተር መራኸቢታት'ታ ሃገር ዶ\/ር ለገሰ ቱሉን ግብረ መልሲ ንምሃብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰለጠን ይብል። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ መቐለ ብዝተኻየደ ደብዳብ ድሮን 10 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ይዝከር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B0-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%89%A5-%E1%8B%B5%E1%88%AE%E1%8A%95\/6760291.html"} {"headline":"ኣብ ኲናት ትግራይ ገበናት ኲናት ምፍጻሙ መርማሪ ኮሚሽን ሕ\/ሃገራት ገሊጹ","content":"ብሕቡራት ሃገራት ዝተጣየሰ መርማሪ ኮሚሽን፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝተወልዐ ኲናት ብሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ፡ ሓይልታት ኤርትራን ትግራይን ጾታዊ ዓመጽ፡ ቅትለት፡ ዕንወትን ምፍጻሙ ኣመልኪቱ። እቲ ምስ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብምውህሃድ ዝሰርሕ ኮሚተ ኣብ ጸብጻቡ፡ ገበናት ኲናት ብዅላቶም ኣካላት ከም ዝተፈጸመ ከመልክት እንከሎ፡ ብፍሉይ ግን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ጥምየት ከም መሳርሒ ምጥቃሙን ብሰራዊት ኤርትራ “ጾታዊ ጊልያነት” ኢሉ ዝሰመዮ ሰፋሕቲ ዓመጻት ምክያዱን ጸብጺቡ። እቲ ኲናት ሃዲኡ ጸኒሑ ዳግም ምውላዑን ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ድሮናት ምክያዱን ንዝሰፍሐ ሲቪላዊ ህልቂት ምፍጻሙ እቲ ቅልውላው ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኰስ ንቐርኒ-ኣፍሪቃ’ውን ዝጸሉ’ዩ ክትብል ኣደ-መንበር እቲ ኮሚሽን ካሪ በትይ ሙሩንጊ ተዛሪባ። ጸብጻብ እቲ ኮሚሽን ዘቕረበት ሙሩንጊ ነቲ መጽናዕቲ ንምክያድ 185 ሰባትን መሰኻኽርን ከም ዘዛረቡ ሓቢራ። እቲ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ገበናት ኣንጻር ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ክጽብጸብ ዝኽእል ከም ዝፈጸመ ዘመልክት ዝእመን ሓበሬታ ምርካቡ ይሕብር። እቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ ጥሕሰታት ጾታዊ ዓመጽ፡ መቕተልቲን ካልእ ምጕስቓልን ኢዩ። ገለ ካብቲ ኣገባባት ሕጂ’ውን ይቕጽል ምህላዉ እቲ ኮሚሽን የመልክት። ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ከም ዘመልክቶ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጸብጻብ እቲ ኮሚሽን ዕድመ ስልጣኑ የሕሊፉ’ዩ ክብል ነጺጉዎ ኣሎ። ኤርትራ’ውን ነቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ ጥሕሰታት ኣቐዲማ ምንጻጋ ጸብጻብ ኣሶሴይትድ ፕረስ ይጠቅስ። ክልል ትግራይ ብመገዲ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንጸብጻብ እቲ ኮሚሽን ብሓጎስ ክቕበሎ እንከሎ፡ እቲ ኮሚሽን ፈጺሙዎ ዝበሎ በበይኑ ስሕተታት ግን ተቓዊሙዎ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/un-experts-tigray-conflict\/6760281.html"} {"headline":"ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብዘይፍርዲ ሰባት ከምዝተቐትሉ ግብረ ሓይሊ ሚንስትራት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ","content":"ህወሓት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተቖጻጺርዎ ኣብ ዝነበረ ከባቢታት ክልል ኣምሓራን ዓፋርን 'ብዘይ ፍርዲ ሰባት ከምዝተቀትሉ' ግብረ ሓይሊ ሚኒስትራት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ ቅትለት መብዛሕትኡ ብሓይልታት ህወሓት ብዝተወሰነ መልክዑ ኸኣ ሰበ ስልጣን ሸኔ ኢሎም ብዝጽውዕዎ ጉጅለ ከምዝተፈጸመ እቲ ግብረ ሓይሊ ብምርመራ ከምዘረጋገጸ አመልኪቱ። ብተወሳኺ ልዕሊ 2 ሽሕ ደቀንስትዮ ብሓይልታት ህወሓት ተደፊረን ዝበለ እቲ ግብረ ሓይሊ ሚኒስተራት ምስ ደሕንነት ብዝተተሓሓዘ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝተፈጸመ ምግሃሳት ከምዘይመርመረ ገሊጹ'ሎ። እዚ ብመሰረት ምኽረ ሓሳብ ሓባራዊ ጉጅለ መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ዝተመስረተ ግብረ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ንብረት ዝለዓለ ዕንወትን ዘረፋን ከምዝተፈጸመ ኣፍሊጡ'ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣምንስት ኢንተርናሽናል ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ህወሓት ኣብ ክልል ኣምሓራ ከባቢታት ጭናን ቆቦን ኢሰብኣዊ ተግባራት ፈጺሙ ክብል ምግላጹ ይዝከር። እንተኾነ ህወሓት ነቲ ብኣምንስት ኢንተርናሽናል ኾነ ብሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ዝወጸ ጸብጻብ ኣይተቀበሎን። ብኻልእ ወገን ጉጅለ ሰብ ሞያ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ንዘውጽኦ ጸብጻብ ብዘይካ እቲ ንዕኡ ዝምልከቶ ነቲ ኻልእ ከምዝቅበሎ ህወሓት ገሊጹ እዩ። ሎሚ ንዝወጸ ጸብጻብ ግብረ ሓይሊ ሚኒስተራት ግን ዛጊት ካብ መቐለ ዝተሰምዐ ምላሽ የለን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ነቲ ብጉጅለ ሰብ ሞያ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝወጸ ጸብጻብ ዘነኣኣሶ ክኸውን እንከሎ እቲ ግብረ ሓይሊ ሚኒስትራት ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ግን 'ፖሎቲካዊ አጀንዳ ዘለዎ'\\nኢልዎ'ሎ። እዚ ግብረ ሓይሊ ሚኒስተራት ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ተፈጺሞም ንዝበሃሉ ናይ ጭካነ ተግባራት ተሓታትነት ንምዕሳልን ዝተጎድኡ ግቡእ ካሕሳ ንክረኽቡ ንምኽኣልን ብዝብል ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተመስረት እዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%90%E1%89%B5%E1%88%89-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6759012.html"} {"headline":"መግለጺ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር","content":"ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተደጋጋሚ መገሻ ዝፈጸሙ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ማይክ ሃመር፣ ኣብ’ዚ ቀረባ ዘካየድዎ ፈተነ ግና ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ንውግእ ደው ከብሉ ዓሊሙ ከምዝተፈጸመ ገሊጾም። ትማሊ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃቡ ማይክ ሃመር፣ መስርሕ ሰላም ንምዕዋት ብዛዕባ ዝገብርዎ ጻዕሪታት’ውን ጠቂሶም ኣለው። ኣመሪካ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ፣ ኣብ ዲፕሎማሲ ተጸሚዳ እያ ትርከብ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም ንክመጽእ ድልየት ምስ ዘለዎም ወገናት ተሓባቢራ ትሰርሕ ኣላ ኢሎም። ፖሊሲ ኣመሪካ ይብሉ ንሶም ‘ንሕብረት፣ ግዝኣታዊ ሓድነትን ሉኣላዊነትን ኢትዮጵያ ተገዳስነት ከምዘለዋ ሓባሪ እዩ፣ እንኮ ሽቶታትና፣ ሰላም ንክሰፍንን ንኩሎም ተጸበይቲ ኢትዮጵያዊያን ሰብኣዊ ረድኤት ምቅራብ እዩ ኢሎም። ድሕሪ ንሶም ዘስምዕዎ ሓጺር መደረ፣ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ሕቶ ንክቀርበሎም ብመሰረት ዝተኸፈተ መድረኽ፣ ቀዲሙ ዝቀረበሎም ሕቶ ‘ኣብ ውግእ ንዝተጸመዱ ሓይልታት፣ ናብ ልዝብ ሰላም ንምምላስ፣ ኣመሪካ ክትጥቀሞ ትኽእል ተጽዕኖ ኣሎ’ዶ፧ ዝብል ነይሩ። ማይክ ሃመር \"ተጽዕኖ ዘይኮነ፣ ብመንጽር ኣመሪካ ዝጸንሓ ታሪኻዊ ርክብ ምስ ኢትዮጵያ፣ ሓቀኛ ሸምገልቲ ክንከውን ኢና ዝብል ግንዛቤ ኣሎ። ኣፍሪቃ ኣብ ትመርሖ መስርሕ፣ ሓገዝቲ ክንከውን ንኽእል ኢና። ኩሎም ወገናት፣ ኣመሪካ ንክትሕግዘና እያ ትፍትን ዘላ ኢሎም እዮም ዝኣምኑ።\" ሓይልታት ትግራይ ኤርትራ፣ ሙሉእ ውግእ ከፊታትልና ኢሎም’ዮም። ብአኦም ወገን’ከ ዝርኢዎ ነገር ኣሎ’ዶ፧ ከምኡ እንተኾይኑ፣ ትርጉሙ እንታይ’ዩ? ማይክ ሃመር፣\"እወ ንምንቅስቃስ ስግር ዶብ ሰራዊት ኤርትራ ተዓዚብና ኣለና። ኣዝዩ ኣሻቓሊን ዝኹነን እዩ። ኩሎም ወጻእተኛ ሓይልታት፣ ንግዝኣታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ከኽብሩን ነቲ ውግእ ካብ ምንህሃርን ክቁጠቡን ይግባእ። ካብ’ዚ ንላዕሊ ንጹር ክንከውን ኣይንክእልን። ደጋጊምና’ውን ኢልናዮ ኢና። ምስ ኣስመራ ቀጥታዊ ርክብ ዘለዎም ወገናት ንከዘራርብዎም ክነተባብዕ ኢና። እዚ ኣዝዩ ኣሻቃሊን ደው ክብል ዘለዎን እዩ።\" ማይክ ሃመር ወሲኾም \"ብዛዕባ ክንወስዶም ንኽእል ካልኦት ስጉምቲታት ክዛረብ ኣይደልን፣ እቲ ክብሎ ዝኽእል ግና፣ ተጋሩ፣ ዓፋረቶት፣ ኣምሓሩን ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ኣዝዮም ይሳቀዩ እዮም ዘለው። ህላዌ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ፣ ነቲ ኣብ ዘሕዝን ብርኪ ዘሎ ኩነታት፣ ይሓላልኾን የባርዕን እዩ ዘሎ\" ኢሎም። ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ፣ ንልዝብ ሰላም ከምዝተቀበሉ ድሕሪ ዝጻሓፍዎ ደብዳቤ፣ ቅድሚ’ቲ ዳሕረዋይ ውግእ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኾነ ሰዓትን ስፍራን፣ ናብ ልዝብ ሰላም ከምዝኣትው’ገሊጹ ከምዝነበረ ዘዘኻኸሩ ማይክ ሃመር፣ ብዛዕባ ኣብ ጂቡቲ ዝነበረ መስርሕ ልዝብ ግና ስለ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪታት ኣመሪካ ክብሉ ጽጹይ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቆጢቦም ኣለው። ክልቲኦም ወገናት፣ ንመስርሕ ልዝብ ሰላም ናይ ብሓቂ ድልየት ኣለዎም’ዮም ኢሎም’ዶ ይኣምኑ፧ ዝብል ካልእ ሕቶ’ውን ቀሪቡሎም ነይሩ ማይክ ሃመር። ንሕና ክንብሎ ንኽእል ንምውሳኑ ከቢድ እዩ። ግን፣ ነቲ ጸገም ብሰላም ክፍታሕ እዩ ድልየትና ስለዝብሉ ክንቅበሎም ጥራሕ ኢና ንኽእል ኢሎም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8D%8D%E1%88%89%E1%8B%AD-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%80%E1%88%AD%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%88%9B%E1%8B%AD%E1%8A%AD-%E1%88%83%E1%88%98%E1%88%AD-\/6758631.html"} {"headline":"ትካል ፍረድ ሆሎውስ ዝተመስረተሉ መበል 30 ዓመት ተኸቢሩ","content":"ፍረድ ሆሎውስ ፋውንዴሽን ኣብ ኤርትራ ዝተመስረተሉ መበል 30 ዓመት ሰሉስ 20 መስከረም 2022 ኣብ ኣስመራ ብዝተፈላለዩ መደባት ተዘኪሩ። እቲ ብኣውስትራልያዊ ሓኪም ፕሮፌሰር ፍረድ ሆሎውስ ዝጽዋዕ ትካል ኣብ ምምሕያሽ ሕክምና ዓይኒ ኤርትራ ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝገብረ ኣብ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሓላፊ ምክልኻልን ምቍጽጻርን ዑረት ዓይኒን ኣቶ ኣለም ዘካሪያስ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጹ። ኣካያዲ ስራሕ ትካል መፈረ መነጽር ውሽጢ ዓይኒ ፍረድ ሆሎውስ ኤርትራ ኣቶ መንግስተኣብ ብወገኑ እቲ ትካል ብዘፍረዮ ልዕሊ 2.5 ሚልዮን ሰብ-ሰርሖ መነጸር ዓይኒ (ሌንስ) ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ ዑረት ከም ዘገለገል ገሊጹ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/fred-hollows-iol\/6756941.html"} {"headline":"ዕላል ምስ መስራቲት ማእከል ሓገዝ ሕማም ፓርኪንሰን ወ\/ሮ ክብራ ከበደ","content":"ወ\/ሮ ክብራ ከበደ ኣብ ክልል ትግራይ ከባቢ ዓዲግራት ወረዳ ጉሎመኸዳ እያ ተወሊዳ ዓብያ። ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ ትምህርታ ኣብ ኢትዮጵያ ተማሂራ። ናብ ዩኒቨርሲቲ ብምእታው ድማ ቀዳማይ ዲግሪ ረኺባ። ካብኡ ናብ ወፃኢ ሃገር ብምኻድ ብኣተሓሕዛ ሃብቲ ተፈጥሮ ማስተርስ ዲግሪ ረኺባ። ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሳ ድማ ስራሕ ጀሚራ። እንተኾነ ብዙሕ ከይፀነሐት ፀገም ጥዕና ኣጋጢሙዋ። እንታይነት እቲ ዝሓዛ ሕማም ግን ብቐሊሉ ክፍለጥ ኣይከኣለን ነይሩ። ናብ ኣመሪካ ከይዳ ብዝተገበረላ ምርመራ ወይዘሮ ክብራ ፓርኪንሰን ብዝበሃል ሕማም ከምዝተትሓዘት ተነጊሩዋ። ፓርኪንሰን ብስም ብዙሕ ዝፍለጥ ሕማም እኳ እንተዘይኮነ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ሰባት ዘጥቅዕ ዘሎ ሕማም እዩ። ፓርኪንሰን ነቲ ሕማም ብዝረኸቦ ዶክተር ስም ዝፅዋዕ ኮይኑ ንምንቅስቓስ ኣካላት ዝቆፃፀር ኣብ ርእስና ዝርከብ ዶፓሚን ዝበሃል ባእታ ዋሕዲ ዘስዕቦ ፀገም እዩ። ሕማም ፓርኪንሰን ኣካላትና ከይንቆፃፀር ይገብር፣ ናይ ምዝራብን ምርኣይን ፀገም የስዕብ። በዓልቲ ሓዳርን ኣደ ክልተ ቖልዑትን ዝኾነት ወይዘሮ ክብራ ከበደ በዚ ሕማም ካብ ትተሓዝ 23 ዓመታት ዘቑፀረት ኮይና፣ ከምኣ በዚ ሕማም ንዝሳቐዩ ወገናት ንምሕጋዝ ቅድሚ 11 ዓመት ትካል መሐገዚ ሕሙማት ፓርኪንሰን ኣጣይሻ እያ። እቲ ዘጣየሸቶ ትካል ድማ ኣብዚ ሕጂ እዋን ን700 ዝኾኑ ሰባት እናሓገዘ ይርከብ። ወይዘሮ ክብራ ከበደ በዚ ኣብነታዊ ስራሓ ናይ 2014 ዓ.ም 'የበጎ ሰው' ሽልማት ረኺባ ኣላ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/kibra-parkinson-center-\/6756964.html"} {"headline":"ህወሓት፡ ህዝቢ ትግራይ ኣንጻር ሓይልታት ኢትዮጵያ ክኸትት ጻውዒት ኣቕሪቡ","content":"ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝነሃረሉ እዋን ህወሓት፡ ህዝቢ ትግራይ ኣንጻር ሓይልታት ኢትዮጵያ ክኸትት ጻውዒት ኣቕሪቡ። ካብ ማእከላይ እዚ ትግራይ ዝወጸ ዝብል መግለጺ፡ እዚ ተፈንዩ ዘሎ ዳሕራዋይ መጥቃዕቲ፡ ህወሓት ንዓለምለኸ ጻውዒት ሰላም ኣብ ዝተቐበለሉ እዋን`ዩ ይብል። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ንዳግም ምጅማር ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ንህወሓት ክኸስስ ጸኒሑ`ዩ። ንጻውዒት ሰላም ብምንጻግ'ውን ከሲሱ። ክልቲኦም ወገናት ነቲ ነሓሰ 24 ዝደገሰ ኲናት መን ጀሚርዎ ኣብ ዝብል ነንሕድሕዶም ይካሰሱ። ብዛዕባ ጠንቂ ምድጋስ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ርእይትኡ ክህብ ዝተሓተተ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ማይክ ሃመር፡ መቐለ ንዝበጸሓሉ ዳሕራዋይ ዑደቱ ብምውካስ \"ኣብ ነሓሰ 2 ምስ ብጾተይ ኮይነ መቐለ ኣብ ዝበጻሕናሉ እዋን፡ ሰበ-ስልጣን ክልል ትግራይ፡ ንተጻብኦታት ይቀራረቡ ከምዝነበሩ ግልጺ`ዩ ኔሩ፡ንሱ ድማ ኣገልግሎታት ናብ ትግራይ ዘይኣቱ እንተኾይኑን ስቓይ ትግራዎት በዚ ዘለዎ ሕማቕ ዝቕጽል እንተኾይኑን ብዝብል`ዩ\" ኢሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጀማሪ ኲናት ብዘይምኹናን ንኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ክነቅፍ ጸኒሑ`ዩ።ኣብ ፈረንሳ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ሀኖክ ተፈራ “ክልተ ተቐናቐንቲ ወገናት ፡እቲ ሓደ ግዳይ እቲ ሓደ ግን ወራሪ እናሃለዉ ኣብ ሓደ ሚዛን ተቐምጦም እንተኾይንካ፡ ጸገም ኣለካ\"ኢሉ ። ህወሓት ንኤርትራ`ውን ምሉእ ወራር ብምግባር ከሲሱ`ሎ፡ ካብ ኤርትራ ነዚ ዳሕራዋይ ክሲ ዝምልከት ቀጥታዊ መልሲ ኣይተረኽበን። ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለታት ብወገን ትግራይ ወሃብ-ቃል ህወሓትን ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነትን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ትማሊ ንህሉው ምዕባለታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብወገን ኤርትራ ምስ ሓይልታት ፈደራልን ሰራዊት ክልል ኣምሓራን ንዝወረዶም ዘሎ መጥቃዕቲ “ንምክት ኣለና” ክብል ተዛሪቡ። “ጸላእቲ ትግራይ ንምብርካኽ ኩሉ ዝከኣሎም ሓይሊ ኣውፊሮም ኣለዉ” ዝበለ ኣቶ ጌታቸው፡ ብዛዕባ ብመርማሪ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ጸብጻብ ኣመልኪቱ’ውን ጠቒሱ ነይሩ። ኣቶ ጌታቸው በቲ ኮሚተ ብሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ተፈጺሞም ዝተባህሉ ከበድቲ ጥሕሰታት ውድቡ ከም ዝሰማምዓሎም ድሕሪ ምግላጽ፡ ብዛዕባ ብትግራይ ተፈጺሙ ዝተባህለ ግን ዓበይቲ ዕቃበታትን ዓቢ ፍልልያትን ከም ዘሎ ጠቒሱ። ወሲኹ እቲ ወሃብ-ቃል እቲ ጉዳይ ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረ ከም ዝዕድሙ ገሊጹ። ብኻልእ ወገን ኤርትራ ናብቲ ግጭት ምእታዋን ኣብ ክልል ትግራይ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ምኽፋታን ህወሓት ዝገለጸ ኮይኑ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ማይክ ሃመር`ውን ወተሃደራት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ምእታዎም ሃገሩ ከም እትፈልጥ ብምግላጽ ንዕኡ ኮኒኑ`ሎ።ማይክ ሃመር “እዚ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ከም ዝኾነን ደው ክብል ከምዘለዎን ምስ ኣስመራ ብቐጥታ ክዘራረቡ ዝኽእሉ ኣካላት ከፍልጡ ነተባብዕ\" ኢሉ ። ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘይምኽኑይ ዘረባ`ዩ ተዛሪቡ ኢሉ። ኣስዒቡ፡ እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ፡” ናይ ህወሓት ዘይቅየር ወተሃደራዊ ዕላማ፡ ብምስጢር ሒዝዎ ምጽንሑ ደንጉዩ ኣሚኑ`ሎ\" ክብል ገሊጹ። ማይክ ሃመር ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝገበሮ ዑደት ኮነ ድሕሪ ዑደቱ ብዛዕባ ዝሃቦ መብርሂ፡ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ካብ ህወሓት ክሳብ ሕጂ ዝተባህለ ነገር የለን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ`ዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ዝርከበሉ ደረጃን ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%8C%BB%E1%88%AD-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AD%E1%8A%B8%E1%89%B5%E1%89%B5-%E1%8C%BB%E1%8B%8D%E1%8B%92%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%95%E1%88%AA%E1%89%A1\/6757076.html"} {"headline":"እስራኤል ኣሸሓት ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ ተእቱ`ላ","content":"እስራኤል ኣሸሓት ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ ተእቱ`ላ። እስራኤል ኣሸሓት ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገራ ናይ ምግዓዝ ፕሮጀክት ዳግም ትቕጽለሉ ዘላ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ኲናት ኣብ ዝነሃረሉ እዋን`ዩ። ገለ ካብኣቶም ድማ ን10`ታት ዓመታት ተፈላልየን ዝጸንሓ ስድራቤታት`የን። ዕላማ እቲ ናይ ሕጂ በረራ ነቶም ካብ ስድራቤቶም ተፈላልዮም ዝጸንሑ ዝተረፉ 3-ሺሕ ኢትዮጵያውያን ምስ ስድራቤቶም ንምትእኽካብ ምዃኑ ሰበ-ስልጣን እስራኤል ኣፍሊጦም ኣለዉ። ነቶም ሓደሽቲ መጻእቲ እንቋዕ ደሓን መጻኹም ኢላ ዝተቐበለቶም ሚንስትር ምጽንባር እስራኤል ፐኒና ተማኖ ሻታ`ያ፡ ንባዕላ ቆልዓ ኮይና ካብ ኢትዮጵያ ዝመጸት`ያ። ገለ ኢትዮጵያውያን እስራኤላውያን ተሓለቕቲ፡ እስራኤል ነቶም ኣብ ዞባ ኲናት ትግራይ ተቐርቂሮም ዘለዉ ኣሸሓት`ውን ናይ ምውጻኣ ግዴታ ኣለዋ ይብሉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A5%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%8A%A4%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%B8%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%88%81%E1%8B%B5-%E1%89%B0%E1%8A%A5%E1%89%B1-%E1%88%8B\/6757141.html"} {"headline":"ኲናት ክልል ትግራይ ንሞት ኣብ እዋን ወሊድ የጋድድ","content":"ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝተወልዐ ኲናት መጠን ሞት ኣደታት ኣብ እዋን ወሊድ ብሓሙሽተ ዕጽፊ፣ ከምኡ ድማ ሞት ህጻናት ብኣርባዕተ ዕጽፊ ክዓቢ ምኽንያት ከም ዝዀነ፡ ምስ መቐለ ዩኒቨርስቲ ብምትሕብባር ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ተሓቢሩ። ንኽልተ ካብቶም ኣብቲ መፅናዕቲ ዝተሳተፉ ኣባላት ኣዘራሪብና ኣለና። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%88%9E%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%8B%88%E1%88%8A%E1%8B%B5-%E1%8B%A8%E1%8C%8B%E1%8B%B5%E1%8B%B5\/6755255.html"} {"headline":"“ናብ ምሉእ ኲናት ዝለሓመ ብወገን ኤርትራ መጥቃዕቲ ተፈንዩና” ኣይተ ጌታቸው ረዳ","content":"ሎሚ ሰሉስ ብዝተፈላለየ ግንባራት ብወገን ኤርትራ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈነዎምን ናብ ምሉእ ኲናት ዘምርሐ ግጭት ምውላዑን ንወሃቢ ቃል ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ። ኣይተ ጌታቸው ነቲ መግለጺ ብመገዲ ናይ ትዊተር ገጹ ኣቢሉ ዝዘርግሖ ክኸውን እንከሎ፡ ነቲ ዝተባህለ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብናጻ ምንጪ ከረጋግጾ ከም ዘይከኣለ ሓቢሩ። እቲ ወሃብ-ቃል ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽቱ፡ ብወገን ኤርትራ ነቲ ኲናት ሰራዊት ሚሊሻ ፋኖን ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን’ውን ከም ዝተጸንበሩዎ ኣመልኪቱ ኣሎ። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ግብረ-መልሲ ንምስማዕ ካብ ወሃብ-ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ፣ ወሃብ-ቃል ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮለነል ጌትነት ኣዳነ፣ ወሃቢት-ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ቢልለኔ ስዩምን ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀልን ዝገበሮ ፈተነ ከም ዘይሰልጠ ኣመልኪቱ። መንግስቲ ካናዳ ዝሓለፈ ቅነ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ \"ኤርትራ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ውግእ፡ ንዕቑር ሰራዊት ተኽትት ኣላ\" ክብል ንዝሃቦ መጠንቀቕታ ጕዕዞ፡ ኣቶ የማነ ገ\/መስቀል ብግዲኡ \"ዝተወሰኑ ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ከም ዝተጸውዑን ንምሉእ ህዝቢ ከዕጥቑ ግን ጻውዒት ከም ዘይቀረበ\" ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጠቒሱ። ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ካብ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዙ ኣዕሪፉ’ዩ ጸኒሑ። 24 ነሓሰ ዝተወልዐ ዳግመ-ኲናት ግን ህይወት ኣሽሓት ክወስድን ከመዛብልን ከም ዝኽእል ተዓዘብቲ ስግኣቶም ይገልጹ። ድምጺ ኣመሪካ ኣገልግሎት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰለጠን። ኣብ ቀጻሊ ግን ምስ ምዕባለታት ዝኸይድ ሓበሬታ ክንህብ ምዃንና ንሕብር። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር፡ ሰራዊት ኤርትራ ንዶብ ኢትዮጵያ ምስጋሩ ብወገን መንግስቲ ኣመሪካ ከም ዘረጋግጹ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቱ። እቲ ንዘተ-ሰላም ንምስላጥ ምስ ዝተፈላለዩ ወገናት ኢትዮጵያ ርክብ ከካይድ ዝጸንሐ ፍሉይ ልኡኽ፡ “ኵላቶም ናይ ደገ ሓይልታት መሬታዊ ዶባት ኢትዮጵያ ከኽብሩን ነቲ ኲናት ዘጓሃሃር ስጕምቲ ካብ ምውሳድ ክቝጠቡን” ኣዘኻኺሩ። ነቲ ብወገን ኤርትራ ዝተራእየ ምስጋር ዶባት መንግስቶም ብትሪ ከም ዝዅንኖ’ውን ኣመልኪቱ ኣሎ። ሮይተርስ ግብረ-መልሲ ኤርትራ ንምስማዕ ዝገበሮ ፈተነ ከም ዘይሰለጦ ሓቢሩ'ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%88%89%E1%8A%A5-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%88%E1%88%93%E1%88%98-%E1%89%A5%E1%8B%88%E1%8C%88%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%83%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8A%95%E1%8B%A9%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%89%B0-%E1%8C%8C%E1%89%B3%E1%89%B8%E1%8B%8D-%E1%88%A8%E1%8B%B3\/6755245.html"} {"headline":"ትግራይ ብኸቢድ ሕፅረት መድሃኒታት ትሽገር","content":"ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ መድሃኒታት ኣዝዩ ውሑድ ብምዃኑን ካብተን ዝነበራ ወሃብቲ ኣገልግሎት መድሃኒታት ካብ ኣገልግሎት ወፃኢ ብምዃነን ኣብቲ ክልል ዓቢ ሃጓፍ ፈጢሩ ምህላዉ ማሕበር ፋርማሲ ትግራይ ሓቢሩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%8A%B8%E1%89%A2%E1%8B%B5-%E1%88%95%E1%8D%85%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%83%E1%8A%92%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%88%BD%E1%8C%88%E1%88%AD\/6753775.html"} {"headline":"ተወላዶ ትግራይ ተታሒዞምሉ ዝነብረ መዓስከር ሰመራ ምሉእ ብምሉእ ምዕጻው ኮሚሽን ሰ\/መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ክልል ዓፋር ተወላዶ ትግራይ ተታሒዞምሉ ዝነበረ መዓስከር ሰመራ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝተዓፀወ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ክልል ዓፋር ብመሰረት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝሃቦ ምኽሪ፣ ኣብቲ መዓስከር ንዝነበሩ ተወላዶ ትግራይ ፈቲሑ ናብ መንበሪኦም ክምለሱ ብምግባሩ ድማ ናእዳን ኣፍልጦን ከምዘውህቦ ናይቲ ኮሚሽን ምኽትል ዋና ኮሚሽነር ራኬብ መሰለ ገሊፀን። ክልል ዓፋር ብወገኑ እቶም ኣብ መዓስከር ሰመራ ዝነበሩ ተወላዶ ትግራይ ናብ መንበሪኦም ዝተመለሱ ቀዲሙ ብዝተትሓዘ ትልሚ እምበር እቲ ኮሚሽን ብዝሃቦ ምኽሪ ኣይኮነን ኢሉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B6-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%92%E1%8B%9E%E1%88%9D%E1%88%89-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%B5%E1%8A%A8%E1%88%AD-%E1%88%B0%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%88%9D%E1%88%89%E1%8A%A5-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%88%89%E1%8A%A5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%8C%BB%E1%8B%8D-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6753592.html"} {"headline":"“ኤርትራ ሰራዊት ተኽትት” መንግስታት ካናዳን ብሪጣንያን","content":"ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ድሕሪ ዝተወልዐ ኲናት፡ መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ንክኸተት ክዳሎ ጻውዒት የካይድ ምህላዉ ንመንግስታት ካናዳን ብሪጣንያን ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ጸብጺቡ። እዚ ናይ ክተት ጻውዒት ተስፋ ተነቢሩሉ ዝነበረ ዘተ-ሰላም ኢትዮጵያ ድሕሪ ምትእጕጓሉን ብወገን ህወሓት ዝቐረበ ሓድሽ ጻውዒት ሰላም ኣብ ዘይሰለጠሉን እዋን’ዩ። መንግስታት ካናዳን ብሪጣንያን ብዛዕባ ጕዕዞ ናብ ኤርትራ ኣመልኪተን ንዜጋታትን ኣብ ዘውጽአኦ ናይ መጠንቀቕታ መዘኻኸሪ፡ ኣብ ኤርትራ ብዝወጸ ዘዋሪ ናይ ክተት መምርሒ ዜጋታትን ናብታ ሃገር ምስ ዝገሹ ዝያዳ ጥንቃቐ ክግበሩን ብሰንኪ’ቲ ዝርአ ዘሎ ምንቅስቓሳት ድማ ዝበርትዐ ናይ ጸጥታ ቍጽጽር ክስዕብ ከም ዝኽእልን ኣመልኪተን። ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ኣገልግሎት ዜና ቢቢሲ፡ ኤርትራ ዕቑር ሰራዊታ ንክኸተት ጸዊዓ ኢሉ ንዝዝርግሖ ዜና፡ ሓላፊ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ኣቶ ጳውሎስ ነታባይ፡ “ናይ ቀደም ስእሊ ተጠቒምካ ዝግበር ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ዜና” ክብል ኣብ ናይ ትዊተር ጽሑፉ ምላሽ ሂቡ ነይሩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8A%BD%E1%89%B5%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%8A%93%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%AA%E1%8C%A3%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%8A%95\/6753468.html"} {"headline":"ምርኢት ስእሊ ንዝኽሪ እሱራት ጋዜጠኛታት ኤርትራ","content":"ሰንበት 18 መስከረም 2001 ኣብ ኤርትራ ጋዜጣታት ብሕቲ ዝተዓጽዋሉን ላዕለዎት ፖለቲካውያን መራሕቲ ዝተኣስሩሉን ዕለት’ዩ። ነዚ ኣጋጣሚ ምርኵስ ብምግባር ሎሚ ኣብ ዩኒቨርስቲ በርክሊ ካሊፎርኒያ ሜሮን ሰመዳር ምስ ፐን ኤርትራ ብምትሕብባር ናይቶም እሱራት ጋዜጠኛታት ስእላዊ ምርኢት የካይድ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%A2%E1%89%B5-%E1%88%B5%E1%8A%A5%E1%88%8A-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8A%A5%E1%88%B1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB\/6750715.html"} {"headline":"ጋዜጣዊ መግለፂ ኣይተ ጌታቸው ኣብ ህሉዊ ኵነታት ኢትዮጵያ","content":"ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ክልል ትግራይን ወሃብ-ቃል ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ንህሉዊ ፖለቲካዊ ምዕባለ ኣመልኪቶም ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቦም ነይሮም። ኣይተ ጌታቸው ብዛዕባ ብውድቦም ዝቐረበ ፃውዒት ምቍራፅ ተፃብኦን ምቕባል ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝምእከል ዘተ-ሰላም ኣመልኪቶም’ውን ጠቒሶም ኣለዉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8D%82-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%89%B0-%E1%8C%8C%E1%89%B3%E1%89%B8%E1%8B%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%88%89%E1%8B%8A-%E1%8A%B5%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/6750714.html"} {"headline":"ኣመሪካ: ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቐጸለ ውግእ ከምዘተሓሳሰባ ትማሊ ገሊጻ","content":"ኣመሪካ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቐፀለ ውግእ ከምዘተሓሳሰባ ትማሊ ገሊፃ።እዚ ዝኸውን ዘሎ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክልቲኦም ወገናት ናብ ሰላም ክቐርቡ ድፍኢት ኣብ ዝገብርሉ ዘለው እዋን እዩ። ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ\"ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ እናዓበየ ይኸይድ ዘሎ ወታሃደራዊ ምንቅስቓስ ኣተሓሳሲቡና ኣሎ።ዳግም ንዝጀመረ ውግእ ብፅኑዕ ንኹንኖ’’ ኢሎም ። \"እዚ ተግባር እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበስልጣን ክልል ትግራይን ንልዝብ ሰላም ድልየቶም ምስ ዝገለፅሉ ዝኸይድ ኣይኮነን’’ኢሎም። ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ንኽልተ ሰሙን ኣብቲ ዞባ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ሓይልታት ትግራይ ከምኡ እውን ምስ ዲፕሎማት ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ክዘራረቡ ቀኒዮም ኣለው። እቶም ፍሉይ ልኡኽ ክልቲኦም ወገናት ወታሃደራዊ መጥቓዕቶም ብዘይውዓል ሕደር ጠጠው ከብሉን ብዲፕሎማሲ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቢሎም ተላዚቦም ክሰማምዑን ይፅውዑ። መራሕቲ ክልል ትግራይ ብሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝምራሕ ዝርርብ ንምስታፍ ቅሩባት ምዃኖም ገሊፆም እዮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ብረቡዕ ብሕብረት ኣፍሪቃ ንዝምራሕ መስርሕ ሰላም ቅሩብ ምዃኑ ገሊፁ፤ይኹን እምበር ኣብ ከተማ መቐለ ረቡዕ ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ድሮን ዓሰርተ ሰባት ተቐቲሎም። ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ፡ ሓድሽ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ነቶም ካብ መዝነቶም ዝተሰናበቱ ኡሁሩ ኬንያታ ንዘተ ሰላም ኢትዮጵያ ክመርሕ ሸይሞም። ምርቋሕ ኬንያታ ነዚ ሓድሽ መዝነት ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ምክትታል ኣፍሪቃን ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ኤውሮጳዊ ሕብረትን ብሓጎስ ከም ዝቕበሉዎ ኣመልኪቶም ኣለዉ። ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝምእከል ዘተ ሰላም ብምሉእ ከም ዝድግፉ’ውን ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ብመገዲ ወሃብ-ቃሎም ስቴቨርን ዱጃሪክ ኣቢሎም ጠቒሶም ኣለዉ። እቲ ወሃብ-ቃል ከም ዝገለጾ እቲ ምዕባለታት ግዜ ዘይህብ ብምዃኑ ቅልጡፍ ምቍራጽ ተጻብኦታት ክግበር ጸዊዖም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%8C%B8%E1%88%88-%E1%8B%8D%E1%8C%8D%E1%8A%A5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%B3%E1%88%B0%E1%89%A3-%E1%89%B5%E1%88%9B%E1%88%8A-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BB\/6750667.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ኲናት ኣሉታዊ ጽልዋ ኣብ ቁጠባ የሕድር","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ኲናት ዳግማይ ኣብ ዝተወለዓሉን ካብቲ ግንባራት ኲናት ርሒቆም ዘለዉ ዜጋታት ንሰላም ብምጽዋዕ ኣብ ዝረብረብሉን ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ሓደ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ ሓደ ካብቲ ብፍጥነት ዝዓቢ ዝነበረ ቁጠባ ኢትዮጵያ ቃልሲ ይርከብ። ኢትዮጵያውያን ኣብ ውሽጢ 10- ዓመታት እቲ ዝለዓለ ዝቅባበ ገንዘብ ኣጋጢምዎም'ሎ።እዚ ምስ ቀይድታት ሸርፊ ወጻኢ ዝተዋህለለ ዕዳ መንግስቲን ንጻዕርታት ኲናት ዘውጽኦ ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብን ዝምልከቱ ጸብጻባት'ዉን ሓዊሱ ኣሎ። ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣብ መጀመርታ ዓመት ንምክልኻል ዝተሰለዓ ተወሳኺ 1.7 ቢልዮን ዶላር በጀት ኣጽዲቑ'ዩ። ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ነታ 110-ሚሊዮን ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ዕምባባ ዝመሰል ምስሊ ይህብዋ። እንተኾነ ኣብዚ ወርሒ'ዚ ዝተኻየደ ኣኼባ ማሕበር ቁጠባ ኢትዮጵያ እታ ሃገር ትሕሰ ከም ዘላ ንጹር ጌሩ'ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%89%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%8C%BD%E1%88%8D%E1%8B%8B-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%81%E1%8C%A0%E1%89%A3-%E1%8B%A8%E1%88%95%E1%8B%B5%E1%88%AD-\/6745866.html"} {"headline":"ርእይቶ ነበርቲ ከተማ ኮምቦልቻ ኣብ ህልው ኩነታት ሃገሮም","content":"ኢትዮጵያውያን ዝሓለፈ ሰንበት ምጅማር ሓዲሽ ዓመት ኣኽቢሮም። ኣብቲ ከባቢ ዝደገሰ ግጭት ግን ሰዓት ሕላፍ ኔሩ። እንተኾነ ዘተ-ሰላም ዳግም ይጅመር`ዶ ዝብል ተስፋ`ውን ይርኣይ ኣሎ። ምቕባል ሓዲሽ ዓመት ኣብታ ካብቲ ግጭት ዝካየደሉ ዘሎ ከባብታት 120 ኪ.ሜ ርሒቓ ትርከብ ከተማ ኮምቦልቻ`ውን ትሑት ኣይነበረን። መብዛሕቲኦም ንድምጺ ኣመሪካ ዝተዛረቡ ነበርቲ፡ ሰላም ናብ ሃገሮም ቀልጢፉ ክምለስ ተስፋ ይገብሩ። እንተኾነ ኲናት ኣብታ ከተምኦም ከይቅጽል`ውን ገና ይሰግኡ። ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ግጭት ኣብታ ከተማ ሕላፍ ሰዓት(ሰዓታት እቶ እቶ) ተነቢሩ`ሎ። እዚ ድማ ነቲ ጽንብላት ሓዲሽ ዓመት ምሉእ ንከይከውን ጌሩ`ዩ። ኣብ ደሴ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ጊዮርግስ ዝነበረ ኤልያስ ኣባተ፡ ኣመንቲ ቀልጢፎም ናብ ቤቶም ክምለሱ ኔርዎም ይብል። “እቲ ለይቲ ዝግበር ቅዳሴ ከምቲ ናይ ቀደም ክግበር ኣይተኻእለን። ሕጊ ክነኽብር ኣለና። ስለዚ ቀልጢፍና ኢና ወዲእና። ስለዚ ኣመንቲ ብምኽንያት ሕላፍ ሰዓት ብእዋኑ ናብ ገዝኦም ክምለሱ ኣለዎም።” ገለ ክልተ ሰዓት ቅድሚ`ቲ ሰዓት እቶ እቶ፡ ጽርግያታት ገና ምሉእ`ዩ ኔሩ። ድሕሪኡ ግን ባዶ። ፖሊስ ነቶም ነቲ ሓዲሽ መምርሒ ዘየኽበሩ ደው ኣቢሎም ይሓትዎም። ከዲር ሰይፉ መግቢ ዝሸይጥ ነጋዳይ`ዩ፡“ብምኽንያት ሕላፍ ሰዓት ኩሉ ሰብ ሰዓት 7:00 ምሸት ገዝኡ ክኣቱ ኣለዎ። ሰዓት 8:00 ምሸት ምንቅስቓስ ጠጠው ከብሉ ኣለዎም። ድራር ክነቕርብ ስለዘይክኣልና ዕዳጋና ጎዲሉ`ሎ። ብርግጽ ከምቀደም ኣይኮነን።” ኮምቦልቻ ዝሓለፈ ዓመት ብሓይልታት ትግራይ ተታሒዛ ኔራ`ያ። ድሓር ግን ብሓይልታት መንግስትን ሓይልታት ኣምሓራን ተደፊኦም ወጺኦም። ዝሓለፈ ሰሙናት`ውን ኣብቲ ከባቢ ኲናት ምስ ደገሰ፡ ሰባት ገንዘቦም ከውጽኡ ኣብ ባንክታት ተሰሪዖም ኔሮም። ክሃድሙ`ውን ፈቲኖም ኔሮም። ነባሪ ኮምቦልቻ ደሲየ ኣስረስ ከምዚ ይብል፡“ሰባት ገንዘቦም ከውጽኡ ኣብ ንግዲ ባንኪ ነዊሕ መስርዕ ሒዞም ኔሮም`ዮም። መብዛሕቲኦም ካብተን ዝተታሕዛን ንሰሜን ዘለዋን ከተማታት ዝመጹ`ዮም።ገንዘቦም ዘውጽእዎ ኣብኡ ክጸንሑ ወይ ንደቡብ ናብታ ትቕጽል ከተማ ንክኸዱ ንመግቢ ወይ ንመሕደሪ ወይ ንመጎዓዝያ`ዩ።\" ነበርቲ ንሰላም ዘለዎም ተስፋ ክማላኣሎም ይኽእል ይኸውን። ኣብ መዓልቲ ሓዲሽ ዓመት ኢትዮጵያ፡ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ክልል ትግራይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንዘተ ሰላም፡ ሰባት ከምዝመዘዘን፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሽምገል ልዝብ ንምስታፍ ቅሩብ ምዃኑን ኣፍሊጡ`ሎ፡እዚ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ምስምማዕ ከሊኡ ዝጸንሐ ነጥቢ'ዩ። ህዝቢ ኣብ ሓዲሽ ዓመት 2015 ዝምነዮ ነገራት እንታይ ይኸውን ዝብል ሕቶ ዝቐረበሎም መልኣከ ሰላም ቆሞስ ኣባ ሳሙኤል፡ ከምዚ ዝስዕብ ኢሎም። “ህዝቢ ናይ ተስፋ ብርሃን ክረክብ ተስፋ ንገብር፡ ንቃላት ኣምላኽ ኢና ንሰብኽ። ጸገማት ከምዘሎ ንፈልጥ ኢና። ኣብ 2015 ግን ኣምላኽ ንኹሉ ጽቡቕ ክገብሮ ተስፋ ንገብር። ኣምላኽ ጥራይ`ዩ ክሕግዘና ዝኽእል።” ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ዳርጋ ክልተ ዓመት ኣቑጺሩ`ሎ። ኣብ በልጅም ዝርከብ ጊነት ዩኒቨርሲቲ፡በቲ ግጭት ዳርጋ ፍርቂ ሚልየን ሰባት ከምዝሃለቑ ይግምት። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%AE%E1%88%9D%E1%89%A6%E1%88%8D%E1%89%BB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%88%8D%E1%8B%8D-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AE%E1%88%9D\/6745710.html"} {"headline":"ደብዳብ ድሮን መቐለ ኣብ ንዋትን መደበር ዜና ድምጺ ወያነን ጕድኣት ኣውሪዱ","content":"ሎሚ ሰሉስ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ቀፅሪ ዓዲ ሓቂ ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ዝሰርሑ ኣቦ መጠናዊ መቝሰልቲ ከስዕብ እንከሎ፡ ቀጺሉ ኣብ መደበር ዜና ድምጺ ወያነ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከም ዘውረደ ኣብቲ ቦታ ብኣካል ዝበጽሐ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ጸብጺቡ። ብመሰረት ጸብጻብ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ብዝወረደ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ መካይንን ንብረትን ዕንወት ወሪዱ ኣሎ። በቲ ቀጺሉ ኣብ ልዕሊ መደብ ረድዮን ቴለቪዥንን ትግራይ ብዝወረደ መጥቃዕቲ ድማ እታ መደበ ቴለቪዥን ስራሓ ደው ከም ዘበለት ክፍልጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንሓላፊ መዲካል ረፈራል ሆስፒታል ዓይደር ዶክተር ክብሮም ገብረስላሴ ብምጥቃስ፡ ካብ ኣገልግሎት ዜና ተሃሪሞም ናብቲ ሆስፒታል ዝመጹ ዜጋታት ምህላዎም ጠቒሱ ኣሎ። ዝርዝር ብዝሒን መጠን ዝወረደ ጉድኣትን ግን ኣብቲ ዜና ኣይተጠቕሰን። ወሃቢ ቃል ህወሓትን ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ እቲ ውድብን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብትዊተር ኣብ ዘውጽእዎ መልእኽቲ፡ ፈደራል መንግስቲ ኣብ ባይታ ንዝውርዶ ዘሎ ስዕረት ንምሽፋን ሰለማውያን ሰባት ዒላማ ይገብር ኣሎ ኢሎም። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብዛዕባ’ቲ መጥቃዕቲ ካብ ወሃብ-ቃል ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮሎነል ጌትነትን ኣዳነን ሚኒስተር መራኸቢታት ለገሰ ቱሉን ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰለጠን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%89%A5-%E1%8B%B5%E1%88%AE%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%8B%8B%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8B%B0%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8B%9C%E1%8A%93-%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BA-%E1%8B%88%E1%8B%AB%E1%8A%90%E1%8A%95-%E1%8C%95%E1%8B%B5%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%88%AA%E1%8B%B1\/6745575.html"} {"headline":"ኣመሪካ: ክልል ትግራይ ብቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምራሕ ልዝብ ሰላም ከምዝቕበሎ ምሕባሩ ብሓጎስ ከምትቕበሎ ገሊጻ","content":"ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ህወሓት ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝሳለጥ መስርሕ ሰላም ብዘይ ቅድመ ኩነት ከምዝቅበል ድሕሪ ምግላጹውን እንተኾነ ውግእ ቀጺሉ ኣሎ። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ ናይ ኣመሪካ ፕረዚደንታዊ ቤት ጽሕፈት (ዋይት ሃውስ) ትማሊ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ፣ ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝሳለጥ ልዝብ ንክሳተፉን ውግእ ደው ንምባል ቅሩባት ምኳኖም ምፍላጦምን ኣመሪካ ብታሕጓስ ተቀቢላቶ ኣላ ይብል። ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ሎሚ’ውን ኣብ’ቲ ዞባ ከምዝርከቡ ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ጠቂሳ ኣላ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመግለጺ ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ ዝሃቦ ግብረ መልሲ ዛጊድ የለን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%89%80%E1%88%AD%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%88%8D%E1%8B%9D%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%95%E1%89%A0%E1%88%8E-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%89%A3%E1%88%A9-%E1%89%A5%E1%88%93%E1%8C%8E%E1%88%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%89%95%E1%89%A0%E1%88%8E-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BB\/6745894.html"} {"headline":"ልምዓት ፈልሲ ተኽሊ ትግራይ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ዝተወልዐ ኲናትን ምትእጕጓል መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ነቲ ክግስግስ ዝጸንሐ ምትካል ሓደስቲ ፍልስታት ብኸቢድ ከም ዝጸለዎ ሰብ-መዚ እቲ ክልል ይገልጹ። ንሓላፊ ሃብቲ ተፈጥሮ እቲ ክልል ብዛዕባ'ዚ ኣዘራሪብናዮም ኣለና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8D%E1%88%9D%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%8D%88%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%89%B0%E1%8A%BD%E1%88%8A-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-\/6744403.html"} {"headline":"ሓድሽ ዓመት ኣብ መንቀራቕሮ ተስፋን ሰንፈላልን","content":"ነበርቲ ከተማ መቐለ ብዛዕባ’ዛ ትማሊ ዝጀመረት ሓዳስ ዓመት ዝተፈራረቐ ሰምዒት’ዩ ዘለዎም። ንሰላም ዘለዎም ተስፋ ይግለጹ ደኣ እምበር፡ እቲ ኲናት ዝፈጠሮ ዕንወት’ውን ገና ኣይሓወየን። ንገለ ነበርቲ'ቲ ክልል ኣዘራሪብና ኣለና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%80%E1%88%AB%E1%89%95%E1%88%AE-%E1%89%B0%E1%88%B5%E1%8D%8B%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%8D%E1%8A%95\/6744395.html"} {"headline":"መግለጺ ዶ\/ር ደብረጽዮን ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት","content":"ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶ\/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ፡ ንኣንፈታት ሰላምን ህሉዊ ኩነታትን ኣመልኪቶም’ውን ጠቒሶም ኣለዉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%8C%BD%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5\/6744387.html"} {"headline":"ክልል ትግራይ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝምእከል ዘተ-ሰላም ከም ዝቕበል ይገልጽ","content":"ብህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝምእከል ዘተ-ሰላም ኢትዮጵያ ክቕበልን ቅልጡፍ ምቍራጽ ተጻብኦታት ክግበርን ድሉው ምዃኑ ብሰንበት ብመገዲ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ወጻኢ ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ዘተ ዝሳተፉ ኣባላቱ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን ኣይተ ጌታቸው ረዳን ምዃኖም ንፈለማ እዋን ዝረቝሐ እቲ መግለጺ፡ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝግበር ኵሉ-ሓቆፍ ዘተ ክቕበል ድሉው ምዃኑን ንምስላጥ እቲ ዘተ ድማ ዝከኣሎ ክግብርን ምዃኑ ጠቒሱ። ክልል ትግራይ ኣቐዲሙ ብኬንያ እምበር ብኣፍሪቃዊ ሕብረትን ፕረዚደንት ናይጀሪያ ነበር ኦሊሰገን ኦብሳንጆ ዝምእከል ዘተ-ሰላም ከም ዘይቅበል’ዩ ክገልጽ ጸኒሑ። እዚ መግለጺ ዝወጽእ ዘሎ ድሕሪ ኣዋርሕ ዝኸደ ምቍራጽ ተጻብኦታት ሓድሽ ኲናት ብ24 ነሓሰ ድሕሪ ምጅማሩ’ዩ። ኣቦ-መንበር ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ሓላፊ ዝምድናታት ወጻኢ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካን፡ ብስሙ ረቚሖም፡ ክልል ትግራይ ብሓጐስ ምቕባሎም ኣፍሊጦም ኣለዉ። ክልተ ወገናት ነቲ ዝተባህለ ከይዲ ሰላም ንምትግባር ዝከኣሎም ክሰርሑ ምዃኖም’ውን ጠቒሶም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝዝወር ዘተ ሰላም ጥራይ ከም ዝቕበል’ዩ ከፍልጥ ጸኒሑ። ንሓድሽ መግለጺ ክልል ትግራይ ኣመልኪቱ ግን ብወገን መንግስቲ ዛጊት ዝተዋህበ ምላሽ የሎን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83%E1%8B%8A-%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8D-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%95%E1%89%A0%E1%88%8D-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%BD\/6743801.html"} {"headline":"ወግዒ ምብራህ ሽግ ድሮ ቅዱስ ዮውሃንስ","content":"ድሮ በዓል ቅዱስ ዮሃንስ ብመንእሰያት ዝካየድ ወግዒ ምብራህ ሽግ ፡ናቱ ባህላዊ ወግዕን ትርጉምን ከምዘለዎ ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ወሃብቲ ርእይቶ ገሊጾም። ኣብ ምሻጥ ሽግ ዝተዋፈሩ መንእሰያት በወገኖም ንጠለብን ተጠቀምትን ኣመልኪቶ ርእይቶኦም ኣካፊሎም ኣለዉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%88%E1%8C%8D%E1%8B%92-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%88%85-%E1%88%BD%E1%8C%8D-%E1%8B%B5%E1%88%AE-%E1%89%85%E1%8B%B1%E1%88%B5-%E1%8B%AE%E1%8B%8D%E1%88%83%E1%8A%95%E1%88%B5\/6738719.html"} {"headline":"ዓለምለኸ ኮሚሽን ሰብሞያ ሰ\/መሰላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ\/ሃ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብህፁፅ ክመክር ሓቲቱ","content":"ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብህፁፅ ክመክር ዓለምለኸ ኮሚሽን ሰብሞያ ሰብኣዊ መሰላት ሓቲቱ።መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይቲ ኮሚሽን መግለፂ ከምዘሕዘኖን ከምዘይቕበሎን ምላሽ ሂቡ።ኤርትራ እውን ናይቲ ኮሚሽን መግለፂ ኮኒናቶ'ላ።ካብ ህወሓት ዛጊት ዝተዋህበ ግብረ መልሲ የለን። ብኻልእ ዜና ህወሓት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ይካየድ ዘሎ ኵናት ጠጠው ንምባል መሰረታዊ ኣገልግሎታት ብዘይውዓል ሕደር ክጅምር፣ቅድሚ እቲ ኵናት ዝነበረ ናይ ክልል ትግራይ ዶባት ክኽበር፣ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኩሉ ከባቢ ኢትዮጵያን ግዝኣት ክልል ትግራይን ክወጽእን ዝብሉ ቅድመ ኩነት ኣቐሚጡ ኣሎ።ቅድሚ ሎሚ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ከምዘይቕበል ዝገለፀ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊት ምላሽ ኣይሃበን። ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ዓለምለኸ ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ህወሓትን ከም ብሓዱሽ ዝጀመረ ኵናት ብዓሚቕ ከምዝተሓሳሰቦ ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።ወታሃደራት ኤርትራ ኣብቲ ግጭት ይሳተፉ ስለዘለው እቲ ግጭት ናብ ካልኦት ሃገራት ናይ ምስፋሕ ሓደጋ ኣለዎ ኢሉ።እቲ ኮሚሽን ኩሎም ወገናት ተፃብኦታቶም ብዘይ ውዓል ሕደር ጠጠው ከብሉ፣ዓለምለኸ ሰብኣዊ ሕጊ ኣብ ምኽባር ግቡኦም ክዋፅኡን ናብ መስርሕ ሰላማዊ ልዝብ ክምለሱን ደጊሙ ፀዊዑ ኣሎ። ናይቲ ዞባ ሰላምን ድሕነትን ኣብ ግምት ብምእታው ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ንኩነታት ኢትዮጵያ ብህፁፅ ክዘራረበሉ ምውሳኑ እውን እቲ ኮሚሽን ሰናይ ኢሉዎ ኣሎ።ቤት ምኽሪ ፀጥታ ብመሰረት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ስቪላት ሓለዋ ክግበረሎምን ኣብቲ ዞባ ተወሳኺ ዘይምርግጋእ ንምክልኻልን ስጉምቲ ክወስድ ፀዊዑ ኣሎ።ክብደት ናይቲ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ቤት ምኽሪ ጉዳይ ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝለዓለ ኣጀንድኡ ክገብሮ እቲ ኮሚሽን ፀዊዑ። ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዘውፅኦ መገልፂ ኣብ ዝሃቦ መልሲ በዚ መግለፂ ከምዝጉሃየ ሓቢሩ።እቲ ኮሚሽን ብቕዓት የብሉን ወይ ነቲ ሰብኣዊነት ኣብ ግምት ዘእተወ ስምምዕ ህወሓት ከምዘፍረሶ ብዝግባእ ኣይፈለጠን ይብል።እቲ ኮሚሽን ንጉዳያት ሰላምን ፀጥታን ናይ ምግላፅ ስልጣን ከምዘለዎ ክምካሕ የብሉን ይብል። ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ስጉምቲ ክወስድ ምፅውዑ ጥንቃቐ ዝጎደሎ ባህሪ ናይቲ ዝሕብርን ሰብኣዊ መሰላት ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ ምጥቃሙ ሓቀኛ ሃቀንኡ ዝተቓለዐሉን እዩ ክብል ነቒፉ። ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ በቲ ኮሚሽን ንዝወፀ መግለፂ ብምንፃግ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ምኽባሮም ኣብ ምርግጋፅን መግሃስቲ ዝፈፀሙ ድማ ናብ ሕጊ ኣብ ምቕራብን ምስርሑ ክቅፅለሉ እዩ ይብል። ሚንስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሎሚ ዓርቢ ብትዊተር ኣቢሎም ኣብ ዝሃቡዎ መልሲ ኣፍሪቃ \"መርማሪ ኮሚሽን\" ብዝብል ብሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ዝተጠጅአ ዘይሕጋዊ ተግባራት ምሉእ ብምሉእ ውዱቕ ክትገብሮ እዋኑ ሎሚ እዩ ኢሎም።እዞም ኣካላት እዚኦም ንዝተውሃቦም ሓላፍነት ብተደጋጋሚ ብምሕላፍ ኣብ ልዕሊ ልኡላዊነት ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ መወዳእታ ቅድመ ኩነት ከቐምጡ ይርኣዩ እዮም ክብሉ ኣቶ የማነ መሊሶም። ናይቲ ኮሚሽን መግለፂ ብዝምልከት ካብ ህወሓት ዛጊት ዝተውሃበ ግብረ መልሲ የለን። ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ኵናት ዝተፈጸሙ መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ክምርምሩ ሰለስተ ኣባላት ዝሓቖፈ ዓለምለኸ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብሞያ ሰብኣዊ መሰላት ኣጣይሹ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክቃወሞ ከሎ ህወሓት ብወገኑ ከምዝደገፎ ይዝከር። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ መራሒ ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ንፕረዚዳንት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኒኮላስ ዲ ሪቪየረ ኣብ ዝፀሓፉዎ ሰለስተ ገጽ ዝሓዘ ቅሉዕ ደብዳበ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ተኸፊቱ ኣሎ ዝበሉዎ ኵናት ምጥፋእ ዓሌትንን ዕንወትን ቅድሚ ሓደ ዓመት ካብ \"ዝርኣናዮን ዝሓለፍናዮን’’ እቲ ዝኸፍአ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሎም።ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ምሉእን ዝተዋደደን ኵናት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ከፊቶም ኣለው፣ከይዲ ሰላም በርዒኑ፣ስምምዕ ሰላም ተጣሒሱ፣ኩሎም ስርሒታት ሰብኣዊ ሓገዛት ጠጠው ኢሎም ኣለው ኢሎም።ቤት ምኽሪ ፀጥታ ነቲ ብሓይልታት ኤርትራን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ይፍፀም ኣሎ ዝበሉዎ ወራር ደው ከብሎም ብምፅዋዕ ቶኽሲ ጠጠው ክብል ሓቲቶም። ንሶም ኣብ ደብዳቢኦም ክማልኡ ኣለዎም ዝበሉዎም ኣርባዕተ ነጥብታት ኣቐሚጦም።ብዘይውዓል ሕደርን ብዘይ ቅድመ ኩነትን ኣብ ልዕሊ ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ዝተነብረ ዕፅዋ ምሉእ ምልዓል ክልዓል፣ንፁርን ስምምዕ ዝተበፅሐሉን ኣገባብ ሓዊሱ ገደብ ዘይብሉ ተበፃሕነት ሰብኣዊ ረድኤት ምርግጋፅ፣ሰራዊት ኤርትራ ካብ ነፍሲ ወከፍ ክፋል ኢትዮጵያን ናይ ትግራይ ግዝኣትን ክወፁን ኣብ ትሕቲ ዓለምለኸ ክትትል ኣብ ልዕሊኦም ዝኾነ ይኹን ሓደጋ ኣብዘየውርድሉ ቦታ ክሰፍሩን ከምኡ እውን ብሕገ መንግስቲ ኣፍልጦ ዝረኸበን ቅድሚ ኵናት ሕዳር 2020 ዝነበረ ዶባት ትግራይ ናብቲ ዝነበሮ ክምለስን ይፅውዕ። ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብቕድሚ ትማሊ ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኹዎን ናይ ክልል ትግራይ መንግስታዊ ቴሌቪዥን ብትዊተር ኣብ ዘውፅኦን ወከልቲ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ኣመሪካን ካናዳን ናይ ዶክተር ደብረፅዮን ምዃኑ ዘረጋገፁዎን ግልፂ ደብዳበ \"ትዕግስትን ምዕቃብን ኣር ኢና ኣለና፣ንሰላም ስትራተጂያዊ ድልውነት ገይርና ኣለና፣እቲ ድልውነት ንምዝዛም ቅሩባት ኢና\" ኢሎም። ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ኣብ መንጎ ሓይልታት ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ውግእ ቀፂሉ ኣሎ።እቲ ኵናት ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዝርከብ ክልቲኦም ወገናት ብግልፂ ዝበሉዎ የለን። እቲ ውግእ መን ጀመረ ዝብል ክልቲኦም ወገናት ነንሕድሕዶም ይካሰሱ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%8A%AD%E1%8A%A2%E1%88%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%B0-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8B%B3%E1%8C%8D%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%8B%93-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%B3%E1%88%B0%E1%89%A6-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6738451.html"} {"headline":"ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ምዝርራቦም ተገሊጹ","content":"ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበስልጣን ህወሓትን ምዝርራቦም ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣፍሊጡ። ዝሓለፈ ሰኑይ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተው ማይክ ሃመር ምስ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ደመቀ መኮነንን ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን ብምርኻብ \"እቲ ኵናት ብቅልጡፍ ጠጠው ክብልን ብሕብረት ኣፍሪቃ መሪሕነት ናብ ልዝብ ሰላም ከምርሕ ከምዘለዎን ምዝርራቦም’’ ከምኡ'ውን ምስ ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብምርኻብ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ምሕላፎምን ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ምኽትል ወሃቢ ቃል ቬዳንት ፓቴል ተዛሪቦም። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ንፀገም ዝተቓልዑ ሰባትን ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤትን ተፅዕኖ የሕድር ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ናብ ክልል ትግራይ ብመሬት ይኹን ብኣየር ዝግበር ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዝተቋረፀ ቤት ፅሕፈት ኣዋሃሃዲ ጉዳያት ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ብኻልእ ወገን ሰራዊት ኤርትራ ናብቲ ኵናት ምእታው ብዝምልከት ርእይቶ ዝሃቡ ኣብ ብሪጣንያ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ተፈሪ መለስ ነቲ ዶብ ዝቖፃፀርዎ ሓይልታት ህወሓት ስለዝኾኑ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ንዝፍጠር ነገር ተሓተቲ ኣይኮናን ኢሎም። ሓይልታት ህወሓት ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ መጥቓዕቲ ትፍፅም ኣላ ክብሉ ይኸሱ። ብዛዕባ እዚ ክሳብ ሎሚ ካብ ኤርትራ ምላሽ ኣይተውሃበን ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%8D%E1%88%89%E1%8A%BD-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%88%AB%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6737051.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ ዳግማይ ዝተወልዓ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ናብ ክልል ትግራይ ዝኣትው ሓገዝ ምኽልኻሉ ገሊጹ","content":"ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከም ብሓዱሽ ዝጀመረ ግጭት ዘድሊ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ከይኣትው ከምዘገደደ ገሊፁ።እቲ ትካል እዚ ኣብ መንጎ ሓይልታት ደገፍቲ መንግስትን ሓይልታት ትግራይን ዳርጋ ክልተ ዓመት ዘቑጸረ ኵናት ዝተፈጠረ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘጋድድ እዩ ኢሉ ኣሎ። ውግእ ምቕፃሉ ናብ ዋና ከተማ መቐለ ረድኤት ዝፀዓና መካይን ክኣትዋ ዘኽኣለ ኣብ ሚያዝያ ዝተበፅሐ ስምምዕ ዘበርዓነ እዩ። ናይ ሕቡራት ሃገራት ወኪል ሰብኣዊ ረድኤት(ኦቻ) እቲ ህውከት ንፀገም ዝተቓልዑ ሰባት ህይወት ኣድሕን ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ ምቕራብ ስራሕ ዝሃሰየ እዩ ኢሉ። እቲ ኵናት ዳግም ቅድሚ ምጅማሩ ናብ ክልል ትግራይ ንመወዳእታ ግዜ 24 ነሓሰ 2022 ዝኣተዋ ሰብኣዊ ቀረብን ናውትን ዝፀዓና 158 ናይ ፅዕነት መካይን ምዃነን ኦቻ ሓቢሩ። ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ይካየድ ዝነበረ ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ በረራ ኣገልግሎት ሰብኣዊ ረድኤት እውን ካብ 26 ነሓሰ 2022 ጀሚሩ ተቋሪፁ ኣሎ። እቲ ኵናት መን ጀመረ ዝብል ክልቲኦም ወገናት ነንሕድሕዶም ይካሰሱ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8B%B3%E1%8C%8D%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%8B%93-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%8D-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%89-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6736671.html"} {"headline":"መልእኽቲ ትዊተር ሚ\/ጉ\/ወጻኢ ኢትዮጵያ: ሚንስትር ዜና ኤርትራን ኣቶ ጌታቸው ረዳን","content":"ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ \"ሰራዊት ኤርትራ፣ ብግንባር ራማ፣ ጾሮና፣ ዛላምበሳን ዳሎልን፣ መጥቃዕቲ ንምፍናው ይቀራረቡ ኣለው። ሙሉእ መዓልቲ ንከባቢታት ዓዲግራት ብከቢድ ብረት ደብዲቦምዋ ኣለው። ሰራዊትና ንዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ምስ ጥሙር ሰራዊታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ምዕራባዊ ግንባር ይዋጋእ ኣሎ\" ኢሎም። ሚንስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገ\/መስቀል ብትዊተር ኣብ ዘውጽእዎ መልእኽቲ \"ህወሓት፣ ቀንዲ ዕላምኡ ንፌደራላዊ መንግስቲ ምፍራስ ኮይኑ ኣሎ። ናይ ምዝራግ ዕላምኡ ኣብ ኤርትራ ናይ ስርዓት ለውጢ ምምጻእ’ውን ዝሓውስ እዩ። ቅድም ኢሉ ዝፍለጥ ስለዝኾነ ዘሰምብድ ነገር ኣይኮነን። ሓድሽ ዝተወሰኸ ነገር እንተሎ ኮይኑ ግና ቁጠባዊ ሸርሕቲታት፣ ከም ኣልሸባብን ሸኔን’ውን ምጥቃም ዝብሉ እዮም\"ኢሎም። ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብወገኑ ብትዊተር ኣብ ዘውጽእዎ መልእኽቲ \"ኣብ ነፍሲ ወከፍ መሬት ኢትዮጵያ ናይ ህዝቢ ትግራይ እዩ። ኢትዮጵያዊያን ድማ፣ ንነፍሲ ወከፍ መሬት ትግራይ ይውንኑ። ትግራይ፣ ደጊም ንፈጠርቲን ራዕዲን ንህወሓትን መሕብኢት ኣይክትኸውንን\" ይብል። እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ትካል ሓገዝ ስግር ባሕሪ ኣመሪካ (ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ) ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ‘ሰብኣዊ ረድኤት ተዘሪፉ’ ዝብል ዝኾነ ሓበሬታ ኣኽቢዱ ከምዝርእዮን እቲ ኣባሃህላ ክጻረ ከምዝግበኦን ገሊጹ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ’ዚ ቀረባ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ \"ህወሓት፣ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ሰራዊቱ የውዕሎ ኣሎ\" ክብል ምኽሳሱ ዝዝከር እዩ። ኣመኻሪ ቀ\/ሚ’ታ ሃገር ዝኾኑ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ተዋጋእቲ ሰራዊት ትግራይ፣ድሕሪ ውግእ ገዲፎምዎ ዝኸዱ ዝተባህለ ምልክት ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ ዝጥቀመሉ ክሻ ኣብ ትዊተር መልእኽቶም ከምዝዘርግሑ’ውን ይፍለጥ። እንተኾነ ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ ነቲ ዝተጠቀሰ ስእሊ ኣይተጠቀመሉን። ረድኤት እኽሊ ብተዋጋእቲ ሓይልታት ኣብ ጥቅሚ ምውዓል ግና ዝኹነን እዩ ኢሉ’ሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ኲናት ደው ክብልን ጻዕርታት ሰላም ንክቕጽልን ብዝብል ዲፕሎማሲያዊ ጻዕሪ ቀጺላ ዘላ ኣመሪካ፡ ነቲ ጻዕራ ንምሕያል ፍሉይ ልኡኽ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምልኣኻ ካብ ተፍልጥ መዓልታት ተቖጺሩ`ሎ። ይኹን`ምበር ፍሉይ ልኡኽ ማይክ ሃመር፣ ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምእታዎም ካብ ወገን ኣመሪካ፣ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ካብ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ሓበሬታ ስለዘይተዋህበ ብዛዕባ’ቲ ዑደት ብዙሕ ክፍለጥ ኣይተኻእለን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%89%B2-%E1%89%B5%E1%8B%8A%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AD-%E1%8B%9C%E1%8A%93-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%8C%8C%E1%89%B3%E1%89%B8%E1%8B%8D-%E1%88%A8%E1%8B%B3%E1%8A%95\/6735281.html"} {"headline":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ኦሮምያ 60 ሰባት ብዕጡቓት ምቕታሎም ኣፍሊጡ","content":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኦሮምያ ሆሮ ጉድሩ ወረዳ አሙሩ ቀበሌ ኣጋምሳ ናይቲ ከባብን ካብ ተዋሰንቲ ወረዳታት ክልል ኣምሓራ ዝመጹን ሚሊሻ ልዕሊ 60 ነበርት ቀቲሎም ክብል ኣፍሊጡ። ብተወሳኺ በቲ መጥቃዕቲ 70 ካል ኦት ነበርቲ ቆሲሎም ልዕሊ 20- ሽሕ ኸኣ ተመዛቢሎም ኢሉ'ሎ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ወሲኹ ቅድሚ'ቲ ናይ ኣጋምሳ ቅትለት ሰለስተ ተወላዶ ኣምሓራ ዝኾኑ ነበርቲ ብዕጡቓት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ተቐቲሎም ኢሉ'ሎ። ወሃቢ ቃል ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ግን ነቲ ክሲ ብምንጻግ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ዕጡቓት ካብ ክልል ኣምሓራ ዝመጹ ሓይልታት ፋኖን ባባል ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝነበረ ፍቃዱ ኣብዲሳ ዝምራሕ ሚሊሻ ኦሮሞን ጥራይ እዮም ኔሮም ኢሉ'ሎ። እዚ ከምዚ ሉ ከሎ ተቃወምቲ ፓርትታት ኦሮሞ ዖልፍ ፡ግንባር ነጻነት ኦሮሞን\\nዖፍጭእን ፡ ኦሮሞ ፈደራሊስት ኮንግረስን በቲ ቅትለት ንፋኖ ብምኽሳስ መግለጺ ኣውጺኦምእለዉ። ካብ ፈደራል መንግስትን እቲ ክልልን ምላሽ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ግን አይሰለጠን ብመሰረት ጸብጻብ ጸሃይ ዳምጠው ካብ አዲስ አበባ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-60-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%B3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6735308.html"} {"headline":"ካብ ከተማ ቆቦ ዝተመዛበሉ ነበርቲ ዘድልይ ሓገዝ ከምዘይረኸቡ ይገልጹ","content":"ድሕሪ ምሕዳስ ኹናት ሰሜን ኢትዮጵያ ካብ ከተማ ቆቦ ዝሃደሙ ኣሽሓት ተመዛበልቲ ዘድልየና ሰብኣዊ ረድኤት ኣይንረክብን ዘለና ክብሉ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም። እቶም ተመዛበልቲ መብዛሕትኦም ኣብ ኣርባዕተ ኣብያተ ትምህርቲ ወረዳ መርሳ ዞባ ሰሜን ወሎ ተዓቑቦም ከም ዘለዉ ገሊጾም'ለዉ። ምምሕዳር እቲ ዞባ ብወገኑ 150- ሽሕ ሰባት ካብ ቆቦን ከባቢ ራያን ተመዛቢሎም ከምዘለዉ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም'ለዉ ።​","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%89%86%E1%89%A6-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%98%E1%8B%B5%E1%88%8D%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%8A%B8%E1%89%A1-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B9\/6735334.html"} {"headline":"ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ዳግማይ ዝተወልዓ ዂናት ደው ዝብለሉ ጻዕርታት ንምክያድ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም","content":"ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ነቲ ዝተሓደሰ ኹናት ሰሜን ኢትዮጵያ ጠጠው ንምባል ጻዕሪ ንምግባር ሎሚ ሰሉስ ኢትዮጵያ ምእታዎም ተገሊጹ። ፍልይቲ ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሃናን ስራ ተተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስቶም ልኡኽ ኣመሪካ ዝተራኸባ ክኾና ኸለዋ ግን ውጥን ሓባራዊ ተልእኾ የብሎም ክብሉ ሓደ ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ገሊጾም። ብዛዕባ ዑደት ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ዛጊት ዝተዋህበ ዝርዝር ሓበሬታ የለን። ብኻልእ ወገን ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ምምሕዳር ዞባ ብሄረሰብ ዋግ ህምራ ወረዳ ሰቆጣ ፍሉይ ሽሙ ወለህ ማርያም ኣብ ዝተባህለ ቀበሌ ካብ ህወሓት ዝተተኮሰ እዩ ዝተባህለ ከቢድ ብረት ኣባላት ሓንቲ ስድራ ዝኾኑ 10 ሰላማውያን ሰባት ተቀቲሎም ክብሉ ኣመሓዳሪ እቲ ዞባን ስድራ ግዳያትን ተዛሪቦም። ብዛዕባ እዚ ሞት ሰላማውያን ሰባት ህወሓት ርእይቶ ኣይሃበን እንተኾነ ግን ኣብ ዝሓለፈ እዋን ከምዚ ዝበሉ ክስታት ኣብ ዝቀርበሉ እዋን ህወሓት ንሰላማውያን ሰባት ዕላማ አይገብርን እዩ ዝብል ምላሽ ከምዝሃበ ይዝከር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%8D%E1%88%89%E1%8B%AD-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8B%B3%E1%8C%8D%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%8B%93-%E1%8B%82%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%88%E1%88%89-%E1%8C%BB%E1%8B%95%E1%88%AD%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8B%AB%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%88%9D\/6733607.html"} {"headline":"ድሕሪ'ቲ 'ካልእ' ግጭት ኢትዮጵያ እንታይ'ዩ ዘሎ?","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላ ኣብ ወርሒ ሰነ ብሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣብታ ሃገር ተወሳኺ ኲናት ሕድሕድ ክሰፍሕ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ክውስኽ ገይሩ ኣሎ። ሪፖርተር ድምፂ ኣመሪካ ብድሕሪ እቲ መጥቓዕቲ ክህልው ዝኽእልን ኣብ ደሕንነት ፀጥታ ኢትዮጵያ ዝህልዎ ትርጉምን አመልኪቱ ንሰበስልጣን እቲ ኸባቢን ተንተንቲን ኣዘራሪቡ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%89%B2-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A5-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%89%B3%E1%8B%AD-%E1%8B%A9-%E1%8B%98%E1%88%8E-\/6731869.html"} {"headline":"ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝካየድ ዘሎ ኩናት ተጋዲዱ ቀጺሉ'ሎ","content":"ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝካየድ ዘሎ ኩናት ተጋዲዱ ቀጺሉ'ሎ። ኣብ ዞባ ዋግ-ሕምራ፡ ካብ ከተማ ሰቖጣ ውጽእ ኣብ ዝበለ ከባብታት ከምኡ'ውን ኣብ ከባብታት ሑመራን ወልቃይትን ናይ ከቢድ ብረት ድምጺ ከምዝስማዕ ርእይትኦም ንድምጺ ኣመሪካ ዝሃቡ ሰባት ተዛሪቦም ኣለዉ። ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዳግም ዝተወልዐ ግጭት ንምዝርራብ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተጓዒዙ'ሎ። ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ካሪን ዣን-ፒየር ብዓርቢ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ \"ፍሉይ ልኡኽ ሃመር፥ ኩሎም ተጻባእቲ ወገናት ወተሃደራዊ ወፍርታቶም ደው ከብሉ መልእኽቲ ፕረዚደንት ባይደን ከብጽሕእዩ\" ኢላ። ኣመሪካን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን፡ ወተሃደራዊ ወፍርታት ደው ኢሉ ዝርርብ ሰላም ክጅመር ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም። ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ብወገና፥ ብዳግም ምውላዕ እቲ ዂናት ብዓሚቕ ከም ዝሓዘነት ብምግላጽ፥ ኩሎም ወገናት ፍልልያቶም ብሰላም ይፍትሑ ዝብል ጻውዒት ኣቕሪባ'ላ። ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ብወገኖም ኣብ ናይ ቲዊተር መልእኽቶም ህወሓት ካብ ክልል ትግራይ ወፃኢ ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕቲ፡ ደብዳብ ነፈርት መንግስቲ ኢትዮጵያን ዳግማይ ምእታው ኤርትራ ኣብቲ ኲናትን ኣመሪካ ከምትኹንኖ ገሊፆም። ኹሎም ወገናት ወታሃደራዊ ስርሒት ጠጠው ከብሉን ፃዕርታት ልዝብ ሰላም ከሐይሉን ንፅውዕ ኢሎም’ለዉ። ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብወገኖም ብቲዊተር አቢሎም ጉራምራ ዝኾኑ ጉጀለ ወፃእተኛታት ደገፍቲ ህወሓት ኣብዚ ቅነ’ዚ ኣንፃር ኤርትራ ወፍሪ ግጉይ ሓበሬታ ኣሓይሎም’ለዉ። እዚ ኸኣ ህወሓት ናይ ኲናት ምርጭኡ ኣብ ዝትግብረሉ እዋን ዝገብረዎ ዝተለመደ ተግባር’ዪ ኢሎም'ለዉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8E-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8A%A9%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8C%8B%E1%8B%B2%E1%8B%B1-%E1%89%80%E1%8C%BA%E1%88%89-%E1%88%8E\/6731968.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ዓውዲ ባንኪ ንሰብ ሃብቲ ዜጋታት ወጻኢ ሃገር ከምዝኽፈት ተገሊጹ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓውዲ ባንኪ እታ ሃገር ንሰብ ሃብቲ ዜጋታት ወጻኢ ሃገር ከምዝኽፈት ኣፍሊጡ። ቤት ምኽሪ ሚንስትራት ኢትዮጵያ ብቕድሚ ትማሊ ቐዳም ኣብዘሳለጦ ስሩዕ ኣኼባ፣ዓውዲ ባንኪ እታ ሃገር ንሰብ ሃብቲ ዜጋታት ወጻኢ ሃገር ንምኽፋት ወሲኑ። ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ንዓውዲ ባንኪ ንሰብ ሃብቲ ዜጋታት ወጻኢ ሃገር ክፉት ምግባር፣ ንኣገልግሎት እቲ ዓውዲ ብፍልጠትን ብቴክኖሎጂን ንምድጋፍ የኽእል፣ ናይታ ሃገር ቁጠባ ምስ ዓለምለኻዊ ዕዳጋ ንዘለዎ ምትእስሳር የዕቢ፣ ተወዳዳሪነት፣ ውፅኢታውነትን ቅልጣፈን ክውስኽ ይገብር፣ እኹል ቀረብ ፋይናንስ ንክህልውን ቀረብ ሸርፊ ወፃኢ ክሳለጥን ይሕግዝ ክብል ገሊጹ። እቲ ስጉምቲ ምፍጣር ዕድል ስራሕ ንክምዕብልን፣ ዓለምለኻዊ ተወዳዳርነት ቁጠባ ንኽረጋገፅን ከምዝሕግዝ እውን ገሊፁ ኣሎ።ነዞም መበገስታት መሰረት ብምግባር እቲ ረቂቕ ፖሊሲ ከምዝተዳለወን፣ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ድማ እቲ ፖሊሲ ኣብ ስራሕ ክውዕል ከምዝወሰነን ተፈሊጡ ኣሎ። ፋይናንስ ኢትዮጵያ ንሰብ ሃብቲ ዜጋታት ወጻኢ ሃገር ንምኽፋት ምምሕያሽ ኣዋጅ ከምዝግበር ቅድሚ ሕጂ መራሒ ሃገራዊ ባንኪ እታ ሃገር ዶ\/ር ይናገር ደሴ ከምዝገለፁ ምፅብፃብና ይዝከር። ኣብቲ እዋን ድምፂ ኣመሪካ ዘዘራረቦም በዓል ሞያ ቁጠባ ጌታቸው ተክለማርያም፣ ፋይናንስ ንሰብ ሃብቲ ዜጋታት ወጻኢ ሃገር ክፉት ምግባር ናይ ባዕሉ ዝኾነ ረብሓን ጉድኣትን ስለዘስዕብ ዓብይ ጥንቃቐ ዝሓትት ስጉምቲ እዩ ኢሎም ነይሮም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%93%E1%8B%8D%E1%8B%B2-%E1%89%A3%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%BD%E1%8D%88%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6731894.html"} {"headline":"መግለጺ ዋይት ሃውስ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ","content":"ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዘሎ ቅልውላው ብዝምልከት ንምዝታይ ናብ ኢትዮጵያ ይኸዱ ምህላዎም ወሃቢት ቃል ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ዋይት ሃውስ ዣን-ፒየር ትማሊ ኣብ ዝ ሃብኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢረን። ንሰን ኣምባሳደር ሃመር ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ኹሎም አካላት ናብ ናይ ሰላም ዘተ ክኣትው ከምዘተሓሳስቡ ሓቢረን ኣለዋ። ኤርትራ ናብ ግጭት ምምላሳ: ህወሓት ካብ ክልል ትግራይ ወጻኢ ዝቐጸሎ መጥቓዕቲታት ከምኡ'ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘካየዶም ደብዳብ ነፈርቲ ኣመሪካ ከምዝትኹንኖን ኣምባሳደር ሃመር ከምዘፍልጡን ዣን-ፒየር ኣመልኪተን ኣለዋ። እተን ወሃቢ ቃል እዚ ግጭት ወታሃደራዊ መፍትሒ የብሉን ድሕሪ ምባል ቕድሚ'ቲ ዳግማይ ምውላዕ'ቲ ኲናት ዝነበራ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝነበረ ሰብኣዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ኣመሪካ ተስፋ ኣንቢራትሉ ከምዝነበረት እንተኾነ ሕጂ ግን ሰብኣዊ ሓገዝ ንወታሃደራዊ ኩነታት ተባሂሉ ይትሓዝ ምህላው ሃገረን በዕሙቐት ከምዝተሓሳሰባ ገሊጸን ኣለዋ። ዣን-ፒየር ኩሎም ወገናት ክዕቐቡን ነቲ ግጭት ከዝሕሉን ብምሕታት ኣቕርቦት ሰብኣዊ ሓገዝ ዳግማይ ክጅመርን መሰረታዊ ኣገልግሎት ንዘድልዮም ድማ ብቕልጡፍ ክበጽሕ ሓቲተን ኣለዋ። ብዝተሓሓዘ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ተመሳሳሊ መግለጺ ብትዊተር ኣሕሊፎም ኣለው። ነዚ መግለጺ ዋይት ሃውስ ኮነ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝምልከት ምላሽ ክሳብ ሕጂ ኣይተዋህበን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8B%8B%E1%8B%AD%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8B%8D%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/6730401.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ህወሓት ንህዝቢ ዝተለኣኸ ሓገዝ ንዕጡቓቱ የውዕል ኣሎ ክብል ይኸስስ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ተባሂሉ ዝለኣኽ ሰብኣዊ ሓገዛት ንዕጡቃቱ የውዕሎ ኣሎ ክብል ይኸስስ። ነዚ ከም ምኽንያት ዘቅረቦ ኣብ ድፋዓት ህወሓት ዝረኸብኩዎ እዩ ክብል መለለዪ ኣርማ ትካል ሓገዝ ስግር ባሕሪ ኣመሪካ(ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ) ዘለዎም ናይ ረዲኤት መግብታት ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ኣውጺኡ'ሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ሰብኣዊ ቅልውላው ክጋደድ ይገብር ኣሎ ዝተባህለ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ጠጠው ክብልን ብቅልጡፍ ናብ ዘተ ክምለስ ፤ ከምኡ'ውን “ሓይልታት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ክወጹ:ሓይልታት ትግራይ'ውን ካብ ክልል ኣምሓራ ክወጹን መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ኣብ ክልል ትግራይ ክጅመሩ ይግበር” ክትብል ብሪጣንያ ሓቲታ። መሓውራት ዜና መንግስቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣብቲ ህወሓት ደጊሙ ጀሚሩዎ ዝበሎ ኲናት ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዛት ንሰራዊቱ የውዕሎ ኣሎ ኢሉ። ሃገር መዕነዊ ተግባራት ህወሓት ጠጠው ናይ ምባል ግዴታ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ወዲቁ ይርከብ ዝበለ'ቲ መግለፂ ምኽንያት ክብል ዘቀመጦም ነጥብታት ድማ ኩነታት ቀረባት ረዲኤት ይርከብዎ። “ህወሓት ናብ ክልል ትግራይ ዝተላእኩ ሓገዛት ረዲኤት ኣብ ክንዲ ነቲ ፅጉም ህዝቢ ብኣንፃሩ ንመሳለጢያ ኲናት የውዕሎ ብምህላዉ መንግስቲ ብቀጥታ ናብቲ ሓገዝ ዘድልዮ ህዝቢ ትግራይ ንምብፃሕ ምቹእ ኩነታት ብምፍጣር ህዝቢ ካብ ፀገም ናይ ምሕላው ግዴታ ኣለዎ” ኢሉ። ብኻልእ ወገን ሰራዊት ምክልኻል ፌደራል ኣብቲ ደጊሙ ዝተወለዐ ኲናት ዝተሰብሩ ድፋዓት ህወሓት ተረኺቦም ክብል ኣርማ ዓለምለኸ ትካል ሓገዝ ስግር ባሕሪ ኣመሪካ (ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ) ዘለዎም ናይ ረዲኤት መግብታት ዘርኢ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ኣውጺኡ'ሎ። ነዞም ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝተላዕሉ ክስታት ኣመልኪቱ መልሲ ክህበና ብኢመኢል ዝተሓተተ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ነቲ ዳይሬክተር'ቲ ትካል ሰማንታ ፓወር ቅድሚ ትማሊ ኣብ ትዊተረን ዝፀሓፈኦ ሓበሬታ ብምሕባር ተወሳኺ ርእይቶ ከምዘይህብ ዝገልፅ መልሲ ኢሜይል ልኢኹ። “ ኢትዮጵያ ክልላት ዓፋር፣ ኣምሓራ ትግራይን ዝርከቡ ሰብኣውያን ተቀባልነት ዘይብሎም ኸም ማእሰርቲ፣ ምስራቅ ነዳዲን ምምንጣል ረድኤት ዝፀዓና መኻይንን ዝዓመሰሉ ምትእትታው የጋጥሞም ኣሎ።”ክብላ ላዕለወይቲ ኣተሓባባሪት ዓለምለኸ ትካል ሓገዝ ስግር ባሕሪ ኣመሪካ (ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ) ሳማንታ ፓወር ኣብ ትዊተረን ምፅሓፈን ዝዝከር ኮይኑ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ኩሎም ዝተፀገሙ ብኣግባቡ ንኽባፃሕ ኩሎም ወገናት ንመስርሓት ሰብኣውያን ከኽብሩ'ውን ፀዊዐን። ነዚ ሰብኣዊ ሓገዛት ኣመልኪቱ ብወገን መንግስቲ ፌደራል ዝቀርበሉ ዘሎ ክሲ ህወሓት ዛጊት ዝሃቦ መልሲ እኳ እንተዘይሃለወ ኣቐዲሙ ንዝቐረበ ተመሳሳሊ ክሲ ግን ተቀባልነት ከምዘይብሎም ክገልፅ ፀኒሑ እዩ። ክልቲኦም ወገናት ናብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዛት ንኸይኣቱ ይገብር ኣሎ ክብሉ ነንሕድሕዶም ብተደጋጋሚ ክካሰሱ ምጽንሖም ዝዝከር እዮ። ይኹን ደኣ ምበር ድሕሪ እቲ 18 ነሓሰ ዳግም ዝተላዕለን ተጋዲዱ ዝቅፅል ዘሎ ጎንፂ ዝያዳ ኣብ ቀረባት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝረኣዩ ፀገማት ከምዘጋደዶ ይግለፅ ኣሎ። እቲ ጎንፂ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ንዝርከቡ 13 ሚልዮን ዝበፅሑ ሰባት ተፀበይቲ ሰብኣዊ ሓገዛት ክኾኑ ብምግባር ኣብ ዓለም ካብቶም ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝተራእየሎ ከባቢታት ሓደ ክከውን ገይሩ እዩ ዝበለት ብሪጣንያ ክልቲኦም ወገናት ተፃብኦታቶም ጠጠው ኣቢሎም ናብ ፖለቲካዊ ዘተ ክምለሱ ሓቲታ እያ። ሚኒስትር ጉዳይ ኣፍሪቃ ቪኪ ፎርድ ትማሊ ኣብ ዘውፀአኦ መግለፂ “ሓይልታት ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ኣትዮም የካይድዎ ዘለዉ ውግእ ብቅልጡፍ ጠጠው ኣቢሎም ናብ ትግራይ ክምለሱ፤ ሓይልታት ኤርትራ ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ትግራይ ይውፅኡ” ኢለን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ትግራይ ብቅልጡፍ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ከጀምር ሓቲተን። ንሰን ወሲኸን “ካብ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝተወሰደ ነዳዲ ስራሕቲ ትካላት ሰብኣውያን ዝያዳ ክከብድ ከምዝገብሮን ህወሓት መሊሱ ንኣገልግሎት ሰብኣዊ ሓገዛት ክውዕል ክተሓባበር ፀዊዐን። ካልኦት ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ትካላት'ውን ተመሳሳሊ ርእይቶ እኳ እንተሃቡ ህወሓት ግን ኣብቲ ቕድሚ ሕጂ ዝሃቦ መልሲ ካብቲ ትካል ዝሰረቆ ዝኮነ ዓይነት ነዳዲ ከምዘየሎን እኳ ድኣስ ልዑል መጠን ዘለዎ ነዳዲ ነቲ ትካል ምልቅሑ ምግላፁ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ከምዚሉ እናሃለወ ዝተፈላለዩ ትካላት ኲናት ደው ክብልን ፃዕርታት ሰላም ክቅፅሉ ይፅውዑ ኣለዉ። ሃይማኖታዊ ጉባኤ ኢትዮጵያ እውን ቅድመ ዂነት ሰላም ሰላም ጥራሕ ብምዃኑ ተፃባእቲ ወገናት ነዚ ኲናት ብዘይ ገለ ቅድመ ኹነት ጠጠው ከብሉን ዘተ ሰላም ከካይዱ ኣብቲ ትማሊ ዘውፀኦ መግለፂኡ ሓቲቱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተወሳኺ ህወሓት ህፃናት ናብ ኲናት ይውፍር ኣሎ ክብል ይከስስ: ህወሓት ነቲ ናይ ሎሚ ክሲ ብቀጥታ መልሲ እንተዘይሃበሉ እኳ አብ ዝሓለፉ እዋናት ንዝቀረብሉ ተመሳሰልቲ ክስታት ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ክብል ኣዋዲቁዎ ምንባሩ ይፍለጥ። እቲ ደጊሙ ዝተወለዐ ኲናት 10ይ መዓልቱ ኣቑጺሩ'ሎ።ብዝተፈላለዩ ኣካላት ንዝቀርቡሎም ፃውዒት ሰላም ተቀባልነት ከይረኸበ እናተጋደደ ይቅፅል ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%88%E1%8A%A3%E1%8A%B8-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%95%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B1-%E1%8B%A8%E1%8B%8D%E1%8B%95%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8B%AD%E1%8A%B8%E1%88%B5%E1%88%B5\/6729030.html"} {"headline":"ኣብ ወግዕታት፥ክብርታትን ያታታትን ዘተኮረት መጽሓፍ 'ካብ ጥሪ ናብ ጥሪ' ብበረኸት ኣማረ","content":"ብደራስን ኣጽናዕን በረኸት ኣማረ ዝተጻሕፈት ‘ካብ ጥሪ ናብ ጥሪ” ዝተሰመየት ኣብ ወግዕታት፡ክብርታትን ያታታትን ዘተኮረት ናይ ምርምርን መጽናዕትን መጽሓፍ ፥ ዝሓለፈ ወርሒ 22 ሓምለ 2022 ኣብ ኣስመራ ሆተል እምባሶይራ ተመሪቓ`ላ። እታ መጽሓፍ ፡ኣብ ማእከላይን ደቡባውን ከበሳ ዘሎ ሕብረተሰብ ትግርኛ፡ ኣብ ሓደ ምሉእ ዓመት ዘካይዶ ኩሉ ዓይነት ንጥፈታት ትገልጽ ኮይና፡ ዝበዝሐ ትሕዝቶኣ ኣብ ኣፋዊ ስነ-ግጥሚ ዘተኮረ እዩ። እታ 37 ገጻት ዝሓዘት መጽሓፍ፡ንወግዕታት መውስቦን መርዓን፡ማሕበራዊ ያታዊ ስነ-ስርዓት ሓረስቶትን ንጥፈታቶምን፡ኣውደ ዓመታትን በዓላትን፡ ደርፍታትን ጨፈራታትን ፡ሕንቅል ሕንቅሊተይ፡ኣዝግንኒ፡ቅኔ፡ውስጠዘ፡ባህላዊ ጸወታታትን ምስላታትን(መበቆላዊ ኣበጋግስኦምን)፡ ወዘተ ዝምልከቱ ብርክት ዝበሉ ትሕዝቶታት ዝሓቖፈት ‘ያ። ኣብ መእተዊ ናይታ መጽሓፍ፡ኣገደስቲ ኣመራት ናይ ኣፋዊ ያታታት ብምብራህ፡ኣንባቢ ብዛዕባ ረቂቕን ኣካላውን ባህላዊ ውርሻ፡ኣፋዊ ስነ-ጽሑፍ፡ኣፋዊ ስነ-ግጥሚ፡ህደማን ደጉዓን፡ ኣፋዊ ታሪኽ፡ኣቦኖኣዊ ፍልጠት(Indigenous knowledge)፡ ሓፈሽዊ ኣፍልጦ ዝ ህብ ሓበሬታ ኣብ ርእሲ ምስናቕ ፡ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ብዙሕ ዘይዝውተሩ ማዕከን ቃላት ትግርኛ ምስ ትርጉሞም ዝጠርነፈት ውጽኢት ዓይነታዊ መጽናዕታዊ መጽሓፍ ከምዝኾነት’ዩ ደራሲኣ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጹ`ሎ። እዛ መጽሓፍ ፡ንመንን ንምንታይ ዕላማን ከምዝተጻሕፈትን ካልእን ፡በረከት መብርሂ ኣለዎ። በረከት ኣማረ ቅድሚ ሕጂ “ሰንሰለት ወለዶታት ኤርትራ” ትብል ተመሳሳሊ መጽናዕታዊ ወይ ምርምራዊ ጠባይ ዘለዋ ቀዳማይ መጽሓፍ ጽሒፉ’ዩ። እቲ ምስ ደርሲ ናይዛ መጽሕፍ ዝተኻየደ ቃለ መሕትት ንውሕ ዝበለ ኮይኑ ፡ ጽማቝ ተሕዝቶኣ ብኸምዚ ዝስዕብ ቀሪቡሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%8C%8D%E1%8B%95%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%AB%E1%89%B3%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%89%B0%E1%8A%AE%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%88%93%E1%8D%8D-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8C%A5%E1%88%AA-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8C%A5%E1%88%AA-%E1%89%A5%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%8A%B8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%9B%E1%88%A8\/6728571.html"} {"headline":"ከንቲባ ከተማ ሸዋ ሮቢት ብዕጡቓት ምቕታሎም ምምሕዳር'ታ ከተማ ገሊጹ","content":"ከንቲባ ከተማ ሸዋ ሮቢት ኣቶ ውብሸት አያሌው ትማሊ ምሽት ካብ ስራሕ ናብ ገዝኦም ክኣትዉ ከለው መንነቶም ብዘይተፈልጠ ዕጡቓት ምቕታሎም ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ምምሕዳር እታ ኸተማ ገሊጹ። ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ንምምሕዳር ሸዋ ሮቢት ካብ መንጎ ዝመርሑ መንእሰያት ኣባላት ኣመራርሓ ምዃኖም ዝተነግረሎም ኣቶ ውብሸት አያሌው: ትማሊ ምሽት ካብ ስራሕ ናብ ገዝኦም ክኣትዉ ከለው ኣብ ዝተቐትልሉ እዋን ኣብ ጥቐኦም ዝነበራ በዓልቲ ቤቶም እውን ጉድኣት በጺሕወን ናብ ሕክምና ተወሲደን ኣለዋ ክብሉ ኣቶ ኑር መሓመድ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ርክብ ህዝቢ ምምሕዳር እቲ ኸተማ ገሊጾም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A8%E1%8A%95%E1%89%B2%E1%89%A3-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%B8%E1%8B%8B-%E1%88%AE%E1%89%A2%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%B3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%89%B3-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6728587.html"} {"headline":"'ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ'፡ ሰራዊት መንግስቲ ምስ ሰራዊት ኤርትራ ብምጥማር መጠነ- ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከፊቶምለይ ክብል ኣፍሊጡ","content":"'ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ' ኣብ ዝተፈላለዩ ግምባራት ምዕራብ ትግራይ ስራዊት ፌደራል መንግስቲ ምስ ሰራዊት ኤርትራ ብምጥማር ሎሚ ወጋሕታ መጥቃዕቲ ከፊቶምለይ ክብል ሎሚ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣፍሊጡ። ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚ\/ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ኣቶ ደመቀ መኮንን ሓደሓደ ንህወሓት ሓገዝ ዝገብሩ ኣካላትን ሓላፍነት ስርሖም ካብ ዘፍቕዶ ሰጊሮም ካብ ዝገብርዎ ምትእትታዋትን ክቑጠብ ይግባእ ክብሉ ኣዲስ ኣበባ ንዝመቐመጢኦም ዲፕሎማትን ወከልቲ ዓለምለኸ ትካላትን ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብሪሆም። እቲ ንኣዋርሕ ብስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦ ተቛሪፁ ዝፀንሐ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ደጊሙ ካብ ዝጅምር ሰሙን ኣቑጺሩ ይርከብ። ንመበገሲ ኲናትን ምጥሓስ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦን ክልቲኦም ወገናት ነሓድሕዶም ክካሰሱ ይስማዕ። 'ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ' ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ወጋሕታ ሰዓት 10:30 ጀሚሩ ብኣርባዕተ ኣንፈታት ኣድያቦ ፌደራል መንግስቲ መጥቃዕቲ ምጅማሩ ይገልፅ። ከም ሓበሬታ አቲ መግለፂ ካብ ፍቅያ ናብ ኣደመይቲ፣ ካብ ሰላም ንሸራሮ፣ ካብ ጎቦ ፅንዓት ንዓዲ ኣሰርን ዕርዲ ማትያስን፣ ካብ ዓዲጎሹ ናብ ዕዲ ኣሰር ማእኸል ዝገበረ እዩ ይብል። “ፀላኢ” ክብል ዝገለፆ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገዚፍ ሰራዊቱ ናብ ኤርትራ ብምስጋር ምስ ሰራዊት ኤርትራ ብምጥማር ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ዝዓለመ ወራር ጀሚሩ ኣሎ ኢሉ።ብኻልእ ገፅ ድማ ትማሊ ብኣንፈት ሰቕጣ ናብ ኣበርገለ ዝጀመሮ መጥቃዕቲ ከምዝቐፀለ ፣ ብደቡብ ግምባር‘ውን ተመሳሳሊ ኩነታት ከምዘሎን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ምጉዕዓዝ ኣፅዋር ተዋፊሩ ከምዝርከብ እቲ መግለፂ ሓቢሩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ም\/ቀ\/ሚን ሚ\/ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ኣቶ ደመቀ መኮንን ምስ ምክትል ሚንስትር ኣምባሳደር ተስፋየ ይልማ ትማሊ ረቡዕ ምቕማጦም ኣዲስ ኣበባ ንዝገበሩ ዲፕሎማትን ወከልቲ ዓለምለኸ ትካላትን ኣብ ዝተረኽብሉ ንእዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መብርሂ ነቲ ከም ብሓዲሽ ተወሊዑ ዝርከብ ኲናት፣ ኩነታት ሰብኣዊ ሓገዛትን ፌደራል መንግስቲ ጎንፂ ብሰላም ንምፍታሕ ዝገብሮ ፃዕርን ጠመተ ምግባሮም ይሕብር። ከም መግለፂ ኣቶ ደመቀ ህወሓት ንመንፈስ ስምምዕ ሰላም ጥሒሱ ህጻናት ንውትህድርና ብምስልጣንን ህዝቢ ብምልዕዓልን ካልእ ሓዱሽ ዙር ጎንፂ ከፊቱ ኢሎም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ጎንፅታት ጠጠው ንምባል ዝገብሮም ፃዕርታት ዝድግፋ ሃገራት ኣመስጊኖም ብኣንፃሩ ድማ ሎሚ’ውን ንህወሓት ዝድግፉ ሓደሓደ ጉጅለታት ከምዘተሓሳስብዎም ገሊፆም። ንሶም ወሲኾም ሰብኣዊ ሓገዛት ኣመልኪቶም ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ንምቕራፍ ዝተገብረ ፃዕርን ሓገዛትን ንኢዶም እንተኾነ ግን ንዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ሓዊሱ ገለ ወገናት ሓላፍነት ስርሖም ካብ ዘፍቅዶ ወፃኢ ዝገብርዎም ተግባራት ክቑጠቡ ኣተሓሳሲቦም።ከምኡ’ውን መንግስቲ ምስ ዘይሕጋውያንን ኣሸባርን ጉጅለ ምምስሳልን ሓድነት ኢትዮጵያ ዝኸፋፍል ስጉምትታት ካብ ምውሳድን ክቑጠቡ ፀዊዖም። ኣብ መወዳእታ ድማ ዋላ እቲ ኲናት እናተጋደደ ይኸይድ እንተሃለወ መንግስቲ ግን ንሰላም ድልው ምዃኑ ሓቢሮም። ብኻልእ ወገን፡ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሸነኽ ምዕራብ ትግራይ መጠነ-ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከም ዝፈነዉ ንወሃቢ-ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ብምጥቃስ ጸብጺቡ`ሎ። እንተኾነ ሮይተርስ ከረጋግጾ ከምዘይክኣለ ይገልጽ። ሮይተርስ ካብ ወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ካብ ወገን መንግስቲ ኤርትራ ምላሽ ንምስማዕ ፈተነታት ኣካይዱ ከምዘይኮነሉ ኣፍሊጡ`ሎ። ይኹን`ምበር ኣብ ኬንያ ኣምባሳደር ኤርትራ በየነ ርእሶም ሎሚ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ወቐሳ ሓዘል ትዊት ኣብ ዘውጽእሉ እዋን “ ህወሓት ተወሳኺ ጌጋ ንኽፍጽም ካልእ ዕድል ኣይክውሃቦን`ዩ እዩ ምኽንያቱ ስለዘይቅጽል\" ኢሎም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ሓይልታት ህወሓት ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኣካይዶም\" ክብል ከሲሱ ኔሩ። ሚንስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ብወገኑ፡ ህወሓት ኣንጻር ኤርትራ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ክፍጽም ይደናደን ኣሎ ክብል ኣብ ትዊተሩ ጽሒፉ ኣሎ። ሮይተርስ ዘዘራረቦ ኣብ ከተማ ሽረ ዝረከብ ሰራሕተኛ ሰብኣዊ ረድኤት፡ ካብኡ ዝመጹ ዘወርቲ መካይን፡ ትማሊ ዶብ-ሰገር ደብዳባት ምንባሩ ከም ዝነገርዎ ጸብጺቡ`ሎ። ሎሚ ሓሙስ ንግሆ ኣብ ከተማ ሺራሮ ሓያል ደብዳብ ከቢድ ብረት ከምዝነበረ`ውን እቶም መሰኻኽር ከም ዝነገርዎ ይጠቅስ። ብኻልእ ወገን፡ ብዛዕባ ዳግመ-ምውላዕ ኲናትን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ዘሎ ህይወት ደቂ-ሰባትን ተሻቒለ`ለኹ ዝበለት ኣመሪካ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ወተሃደራዊ ወፍርታቶም ብቕጽበት ጠጠው ከብሉ፣ ነቲ ግጭት ነባሪ መዛዘሚ ክገብርሉ ጻዕርታቶም ኽሐይሉ ጸዊዓ`ላ። ኣመሓዳሪት ዓለምለኸ ትካል ልምዓት ኣመሪካ ሳማንታ ፓወር ብወገነን፡ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን፡ ሰብኣዊ ጻዕርታት ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኢድ-ምትእትታው ኣጋጢምዎ`ሎ ኢለን። ካብ መንጎ`ቲ ጸገማት ድማ፡ ማእሰርቲ፡ ምዝራፍ ነዳዲን ምህጋር መካይንን`ዩ ዝበላ ሳማንታ ፓወር፡ ኩሎም ወገናት፡ ረድኤት ናብ ተጸበይቲ ምእንታን ክበጽሕ፡ ሰብኣዊ ስራሕ ክኽበር ኣለዎ ኢለን። ዳይሬክተር ሁማን ራይት ዎች ለቲሻ ባድር ብወገና፡ መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝግበር ሰብኣዊ ስርሒታት የተዓናቕፍ ኣሎ ክብላ ነቒፈን። ካብ ሃገረ እንግልዝ ድማ ሚንስተር ጉዳይ ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነዚ ግጭት እንኮ መፍትሒ፡ ምቁራጽ ተጻብኦታት ዳግም ተግባራዊ ምግባርን፡ ብዝቐልጠፈ ፖለቲካዊ ልዝብ ምጅማርን`ዩ ኢሉ። ሕብረት ኣፍሪቃ ንዝጀመሮ ጻዕርታት ሽምግልና ንድግፍ ዝበለ እንግሊዛዊ ሚንስተር ጉዳይ ኣፍሪቃ፡ እቲ ኲናት ናብ ዝበኣሰ ኩነታት ከይከይድ ጻዕርታት ልዝብ ክበራበር ንጽውዕ ኢሉ`ሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐሱ ገለ ፖለቲካዊ ውድባት`ውን ብቕልጡፍ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ይጽውዑ`ለዉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%88%E1%89%B0%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%AE%E1%88%9B%E1%8A%95%E1%8B%B5-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8C%A5%E1%88%9B%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8A%90--%E1%88%B0%E1%8D%8A%E1%88%95-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%83%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%8D%8A%E1%89%B6%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6727292.html"} {"headline":"ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ትሕተ ቅርፂ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ልዕሊ 1.6 ቢሊዮን ብር ዝግመት ዕንወት ከምዘስዓበ ተገሊፁ","content":"ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርፂ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ልዕሊ 1.6 ቢሊዮን ብር ዝግመት ዕንወት ከምዘስዓበ ተገሊፁ። ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣቶ ሞገስ መኮንን ኣብ እዋን ኲናት ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርፂ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዕንወትን ስርቂ መሳርሒታትን የጋጥም እዩ ኢሎም። ብሰንኪ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ልዕሊ መስመራት መተሓላለፊን ጣቢያታት መከፋፈልን ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ልዕሊ 1.6 ቢሊየን ብር ዝግመት ጉድኣት ከምዝተመዝገበ ኣቶ ሞገስ ገሊፆም። ኣብ እዋን እቲ ኲናት ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብርክት ዝበሉ ጣቢያታት፣ መሳርሕታትን መስመራትን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዓንዮም እዮም፣ እናተቖረፁን እናተፈትሑን እውን ተወሲዶም እዮም ክብሉ ተዛሪቦም። ኣብ 2013 እቲ ኲናት ኣብ ክልል ትግራይ ምስተወለዐ፣ ኣብቲ ክልል ተመሳሳሊ ዕንወት ትሕተ ቅርፂ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣጋጢሙ ከምዝነበረ ዝተዛረቡ ኣቶ ሞገስ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ክልል ትግራይ ምስኣተወ ፅገና ከምዝተገበረ ኣዘኻኺሮም። እቲ ኣጋጢሙ ዝበሉዎ ልዕሊ 1.6 ቢሊዮን ብር ዝግመት ዕንወት ንክልል ትግራይ ዘየጠቓልል ምዃኑ'ውን ኣብሪሆም። እቲ ሕጂ ዳግም ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ኣብ ልዕሊ ትሕተ-ቕርፂ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተመሳሳሊ ዕንወት ከስዕብ ከምዝኽእል ዝገለፁ እቶም ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን፣ ብዘይካ እዚ ቅድሚ ሕጂ ብዘጋጠመ ጉድኣት ኣብ ፀልማት ንዘለው ከባብታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምቕራብ ንዝግበር ፃዕሪ ከምዘኽብዶ ገሊጾም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B0-%E1%89%85%E1%88%AD%E1%8D%82-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%8A%A4%E1%88%8C%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%88%AA%E1%8A%AD-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-1-6-%E1%89%A2%E1%88%8A%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%8C%8D%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%8B%95%E1%8A%95%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%B5%E1%8B%93%E1%89%A0-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8D%81\/6726901.html"} {"headline":"ዳግማይ ዝተወልዓ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ይሰፍሕ ምህላው ተገሊጹ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዳግማይ ዝተወልዓ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ሎሚ ረቡዕ ናብ ዝተፈላለዩ ግምባራት ሰፊሑ ይቅፅል ምህላዉ ተፈሊጡ። ንምኽንያት መበገሲ እዚ ዳግመ ኲናትን ምስፍሑን ፌዴራል መንግስቲን ህወሓትን ነንሕድሕዶም ምክሳስም ቀፂሎም ኣለዉ። መሓውራት ዜና መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ “ብዘይ ኲናት ክነብር ዘይኽእል” ክብል ንዝፀወዖ ህወሓት ኣብ ዋግ፣ ወልቃይት (ከባቢታት ምዕራብ ትግራይን) ንኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዘዳውቡ ከባቢታትን ዳግመ ወራር ፈፂሙ ክብል ይኸስስ። እቲ መግለፂ ከምዝበሎ ህወሓት ኣቐዲሙ ኣብ ምብራቕ ኣምሓራ ቆቦን ከባቢኡን ንዝፈፀሞ ወራር ካብ ሓይሊ ምክልኻልን ህዝብን ዝረኸቦ ፅኑዕ ናይ ምክልኻል ምላሽ ዘይተፀበዮ ብምዃኑ እዩ ነዚ ሓዱሽ ወራር ፈፂሙ ዘሎ ይብል። ብምዃኑ ህወሓት ነቲ ናይ ሰላም ኣማራፅታት ብምሕዳግ ወራሩ ናብ ካልኦት ከባቢታት ክሰፍሕ ይገብር ኣሎ ክብል መንግስቲ ይኸስስ። ሰራዊቱ ግን ንቦታታቶም ተቆፃፂሮም ይከላኸሉ ምህላዎም ገሊፁ።መንግስቲ ኢትዮጵያ ሐጂ እውን ንናይ ሰላም አማራፅታት ድሉው ምዃኑን “ህወሓት ነቲ ናይ ሰላም ኣማራፅታት ረጊፁ ብዝፈፀሞ ወራር ምኽንያት ንሰላም ዝተዘርገሐ ኢድ ንከይዕፀፍ ማሕበረሰብ ዓለም ዝከኣሎ ክገብር መንግስቲ ኢትዮጵያ የተሓሳስብ” ክብል ኣመልኪቱ። ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ሎሚ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘውጽእዎ መልእኽቲ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘይሕንከት ትግራይ ንሰቆጣ፣ ሓምዳይትን ደደቢትን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ምዕራብ ትግራይ መጥቃዕቲ ምኽፋታ ይገልፅ ምህላዉን ከምቲ ሓቂ እንተኾይኑ እቲ ስርዓት ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ንርእሱ ካብ ተሓታትነት ከድሕነኒ ዝበሎ ዛዕባ እዩ ዝፈጥር ዘሎ።” እዚ ስርዓት ምስ ናይ ኤርትራ መዘንኡ ብምዃን ኣብቲ ዞባ ጎንፂ ንምጉህሃር የተሓባብር ምህላዉ ድሕሪ ምግላፅ ማሕበረሰብ ዓለም ፀማም እዝኒ ካብ ምሃብ ተበራቢሩ ነቲ ክመፅእ ዝኽእል ህልቂት ጠጠው ከብሎ ፀዊዖም። ሰራዊቶም ንዝመፆ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ድሉው ምዃኑ እውን ሓቢሮም። “ዋና ኣዛዝ ሰራዊት ትግራይ” ምዃኖም ዝግለፅ ታደሰ ወረደ እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቶም ሎሚ ምሸት ኣብ ቴሊቪዥን ትግራይ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ እቲ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦ ፈለማ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተጣሕሰን ድሕሪ እዚ ድማ ኲናት ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክጅመር ከምዝኽእል ብምርዳእ ተዳሊናሉ ፀኒሕና ኢና ኢሎም። ንሶም ወሲኾም “ኣብ ግምባር ደቡብ ዝተኸፈተና ኲናት መኪትና ብፀረ መጥቃዕቲ ዛጊት ካብ ዘመዝገብናዮም ዓበይቲ ዓወታት ኮይኑ ኣሎ” ኢሎም። ከምኡ እውን ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ሳምረ ንምእታው ብሰቆጣ ኣቢሎም ኲናት ምኽፋቶምን መንግስቲ ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ብምስዳድ ምስ ሰራዊት ኤርትራ ብምፅማድ ብወገን ሑሞራ ወራር ንምፍፃም ዝዓለመ ዛጊት'ውን ክኣትዉ ምጅማሮምን ኲናት ንምኽፋት ተዳልዮም ከምዘለዉን ኣብ መግለፂኦም ሓቢሮም። ንሶም ወሲኾም እዚ ዂናት ናይ ትግራይን ኣምሓራን ገይርካ ንምቅራብ ዝግበር ፈተነ ተቀባልነት ዘይብሉ ምዃኑን ምስ ህዝቢ አምሓራ ኮነ ህዝቢ ዓፋር ፅልኢ የብልናን ኢሎም። በዚ ኩነታት ተደናጊፆም ካብ መረበቶም ንኸይመዛበሉ ድማ ፀዊዖም ። ኣብ መወዳእታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ቃል ዓለም ወፂኡ ንሰላም ድሉው እንተዘይ ኮይኑ ኲናት ምቅፃሉ ከምዘይተርፍ ኣብ መግለፂኦም ኣብሪሆም። ካብ መንግስትን ዝምልከቶም ሰበስልጣናትን ኤርትራን ነዚ ጉዳይ ኣመልኪትና መብርሒ ክህቡና ዝገበርናዩ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይሰለጠን። ንምስፋሕ እቲ ኲናት ክልቲኦም ወገናት ንሓድሕዶም ይካሰስሉ ኣብ ዘለዉሉ እዋን ካብ ሑመራ ርሕቅ ኢሉ ድምፅታት ተኹሲ ከምዝስማዕ ሓንቲ ሽመን ክግለፅ ዘይደለያ ነባሪት ኣብ ባህርዳር ንእትርከብ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ሓቢረን ኣለዋ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B3%E1%8C%8D%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%8B%93-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%88%B0%E1%8D%8D%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6724630.html"} {"headline":"ሁማት ራይትስ ዎች ኣብ ክልል ኦሮምያ 18 ሰነ ንዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ዝምልከት ጸብጻብ ኣውጺኡ","content":"ዕጡቃት: ዝሓለፈ ሰነ ኣብ ምዕራባዊ ክልል ኦሮምያ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ተወላዶ ኣምሓራ ከምዝጨፍጨፉን ናጻ ኣካል ንከጻርዮን ሁማን ራይት ዋች ጸዊዑ። ተሓላቂ መሰላት ሁማን ራይት ዋች \"ኣብ ምዕራባዊ ክልል ኦሮምያ፣ ሰላማዊያን ሰባት፣ ካብ መጥቓዕቲ ዝከላኸለሎም ኣካል’ውን የለን\" ይብል። ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይት ዋች ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ንብዙሓት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስቪላት ተወለድቲ ኣምሓራ ቀቲሉ ኢሉ። እቲ ትካል ወሲኹ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ካብቲ መጥቓዕቲ ዘምለጡ እኹል መፅለሊ፣ሓለዋን ከምኡ እውን ፀገም ጥዕንኦምን ንምፍታሕ ትርጉም ብዘለዎ ከምዘይሰርሐ ገሊፁ። እቲ ፀብፃብ 18 ሰነ 2022 ብከቢድ ዝተዓጠቑ ኣብ ጣቢያታት ቶሌን ሰኔን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዝርከቡዎም ንልዕሊ 400 ተወላዶ ኣምሓራ ስቪላት ቀቲሎም ይብል።እቶም መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቃት ብተወሳኺ ብኣማኢት ዝቑጸር መንበሪ ኣባይትን ትካላት ንግድን ኣዕኒዮም፣እንስሳትን ንብረትን ድማ ዘሪፎም ይብል።ብውሑዱ ሓሙሽተ ዓድታት ብሓዊ ከምዝተቓፀላ 480 ዝግመቱ ኣባይቲ ምዕናዎም ናይ ሳተላይት ምስልታት ከምዝሓበሩ ይገልፅ።ኣብ ጥቕኡ ዝነበሩ ሓይልታት ፀጥታ መጠንቀቕታ በፂሑዎም እናሃለወ ኣብቲ ቦታ ድሕሪ ስዓታት'ዮም ምብጽሖም'ውን ጸብጻብ'ቲ ትካል ይሕብር። ኣብ ሁማን ራይት ዋች ዳይሬክተር ቀርኒ ኣፍሪቃ ላቲሻ ባደር \"ዕጡቓት በብሓደ ነተን ዓድታት ኣዕኒዮም፣ምሉእ ስድራቤታት ብጭካነ ቀቲሎም፣ኣብቲ ቀረባ ዝነበሩ ሓይልታት መንግስቲ ዋላ ሓደ ነገር ኣይገበሩን’’ ኢላ። ንሳ ብምውሳኽ \"እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተኣማኒን ነፃን ምርመራ ኣብ ምክያድ ተሓተቲ ኣብ ምፍላይን ሓገዝ ንዘድልዮም እኹል ሓገዝ ክበፅሖምን ኣብ ምርግጋፅ ብዙሕ ክሰርሕ ከምዘለዎ ዝሕብር ዳሕረዋይ ጭፍጨፋ እዩ’’ኢላ። ካብ 2019 ሓይልታት መንግስትን ዕጡቕ ጉጅለ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን(OLF) ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ክዋግኡ ከምዝፀንሑን ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ኦሮሞን ውሑድ ቁፅሪ ዘለዎም ካልኦት ማሕበረሰባትን ከበድቲ መግሃስታት ከምዝተፈፀሙን እቲ መግለፂ ይሕብር።ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ነቲ ናይ ሰነ ጭፍጨፋን ካልኦት መጥቓዕትታትን ፈፃሚኡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ እዩ ክብሉ ይኸሱ።ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብወገኑ ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈፀሞ ናይ መንግስቲ ሚልሻ እዩ ክብል ብምኽሳስ ነፃ ምርመራ ክካየድ ፀዊዑ ኣሎ። ሁማን ራይት ዋች ካብ ሰነ ክሳብ ነሓሰ ኣብ ዘለው ኣዋርሕ ኣብተን ሓሙሽተ ዓድታት ማለት እውን ካብ ምዕራብ ኦሮሞያ ጉቲን፣ጨቆርሳ፣ስልሳው፣በገነ ካብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ድማ ሰኔ ቀበሌ ን19 መሰኻኽር ዓይኒን ስድራ ግዳያትን ሓዊሱ ን25 ሰባት ብስልኪ ቃለ መጠይቕ ከምዘካየደ እቲ መግለፂ ይሕብር። እቲ ፀብፃብ ሁማን ራይት ዋች ዝርዝር ዝተቐትሉ ካብ ነበርቲ ከምዝረኸበን ቅድምን ድሕሪን እቲ መጥቓዕቲ ንናይ ሳተላይት ምስልታት ከምዝገምገመን ይሕብር። ንጉሆ 18 ሰነ ደቂ ተባዕትዮ ነበርቲ ንደቂ ኣንስትዮን ቆልዑትን ገዲፎም ናብ ሕርሻ ወይ ንናይ ዕዳጋ ውራዮም ምስ ወፁ ብከቢድ ዝተዓጠቑ ጉጅለታት ደቂ ተባዕትዮ ብሃንደበት ነተን ዓድታት ኣጥቒዖም። ሓደ ሓረስታይ ካብ ጉቲን ከምዝበሎ ቶኽሲ ጥይት ከምዝሰምዐን ብኣንፈት ስልሳው ትኪ ከምዝረኣየን ይገልፅ።\"ብጉያ ናብ ገዛይ ምስ ከድኩ እቲ ከባቢ ብረት ብዝተዓጠቑ ደቂ ተባዕቲዮ ተኸቢቡ:ደቀይ ሒዘ ናብ ዱር ሃዲመ\": እቶም ዕጡቓት ኣብ ጥቕኦም ዘሎ ሓበሬታ ስለዘይብሎም ‘ወድኡዎም፤ ከይትሓድጉዎም፤ፀንቅቑዎም’ ኢሎም ክዛረቡ ሰሚዐዮም ይብል። ሓሙሽተ ደቃ ሒዛ ኣብ ጥቕዑ ኣብ ዝነበረ ማሸላ ዝተሓብአት ጓል ኣንስተይቲ እቶም ኣጥቓዕቲ ደድሕሪኣ ከምዝሰዓብዋ ትዛረብ። \"ወዲ ሸሞንተ ዓመት ወደይ ክበኪ ጀሚሩ።ጥይት ናባና ወገን ቅድሚ ምትኳሶም ሓደ ካብቶም ኣጥቓዕቲ ‘ኣብኡ ድለዩ፣ኣብኡ ድለዩ’ ክብሉ ሰሚዐዮም።ንወደይ ቶኪሶም ቐቲሎምዎ። ብዝተኸደንኩዎ ጨርቂ ኣቢለ ጠቕሊለዮ።ካልኣቲ ጓለይ እውን ብድሕሪት ተወቒዓ እቲ ጥይት ብክሳዳ ወፂኡ።ዝቖሰለት ጓለይ ናብ ደረተይ ሓቒፈ ኣላህ ህይወታ ኣድሕነለይ ኢለ ምፅላይ ጀሚረ\" ትብል። እቲ መጥቓዕቲ ብዙሕ ስዓታት እዩ ወዲኡ።ሓሙሽተ ነበርቲ ሓገዝ ክግበረሎም ናብ ሰበ-ስልጣን እቲ ከባቢ ኣብ ኣስታት 17 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ንዝነበሩ ሓይልታት ፀጥታ ፌደራልን ክልላዊ መንግስትን ከምኡ እውን ወታሃደራዊ ካምፕን ተደጋጋሚ ስልኪ ምድዋሎም ይገልፁ። እዚ ፀብፃብ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ፅሕፈት ኣዋሃሃዲ ጉዳያት ሰብኣዊ ረድኤት \\ኦቻ\\ ኣብ ቶሌ እንተወሓደ 4,800 ሰባት ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ድማ ልዕሊ 500,000 ሰባት ብሰንኪ ግጭት ምምዛባሎም ገሊፁ ይብል ። እቲ ግጭት ከበድቲ መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ኣስዒቡ። ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ኦሮሞ ጃምላዊ ቕትለት፣ብሃበ ተረኸበ ማእሰርትን ከምኡ እውን ርክብ ናይቲ ከባቢ ክበትኹ ፀኒሖም ይብል። እቲ መግለፂ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ንሰበስልጣን መንግስቲ ብምቕታል ወታሃደራዊ ንዘይኮነ ኣብያተ ፅሕፈት ኣጥቒዖም እዮም ይብል ። መንግስትን ናይ ኢትዮጵያ ቀይሕ መስቀልን ናይ 18 ሰነ መጥቓዕቲ ስዒቡ ንነበርቲ ሰብኣዊ ረድኤት ምሃቦም ገሊፆም ኣለው።ይኹን እምበር ንሁማን ራይትስ ዎች ቃሎም ዝሃቡ ነበርቲ ሓደ ግዜ ጥራሕ ሓገዝ መግቢ ከምዝረኸቡን ክሳብ ነሓሰ ኣብ ዘሎ እዋን መፅለሊ ስለዘይብሎም ከቢድ ናይ ጥዕና ፀገም ከምዘጋጠሞምን ገሊፆም ኣለው። ሁማን ራይትስ ዎች ኣብቲ ፀብፃብ መፍትሒ ዝበሎም ሓሳባት እውን ሂቡ ኣሎ። ኩሎም ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ኣብ ግጭት ይሳተፉ ዘለው ዕጡቓት ንኹሎም ንሓደጋ ዝተቓልዑ ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ክቐርብ ከሳልጡ ኣለዎም ይብል። መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ቅትለት: ዕንወት ንብረትን ካልኦት መግሃስታትን ብዝምልከት ዝካየድ ምርመራ ንህዝቢ ሓበሬታ ክህብ ፀዊዑ ኣሎ። ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዝንቀሳቐሱ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ካልኦት ዕጡቓት ጉጅለታትን እውን ኣብ ልዕሊ ስቪላትን ንብረት ስቪላት ዝፍፀም ዘይሕጋዊ መጥቓዕቲ ብዘይውዓል ሕደር ከብቅዕ ይፅውዕ።ሁማን ራይትስ ዎች ነዚ መጥቓዕትን ካልኦት መግሃስትን ንዝእዝዙ ክቕጽዑ ወሲኹ ፀዊዑ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%81%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%89%B5%E1%88%B5-%E1%8B%8E%E1%89%BD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-18-%E1%88%B0%E1%8A%90-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%98-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%8C%BA%E1%8A%A1\/6724541.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ መቐለ ደብዳብ ድሮን ምፍጻሙ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ","content":"ኣብ ዋና ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ናብ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዘውገሐ ፍርቂ ለይቲ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት (ድሮን) ደብዳብ ከምዝተኻየደ ሰበ ስልጣን ሓይልታት ትግራይን ሆስፒታላት'ቲ ክልል ብምጥቃስ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ። እቲ ደብዳብ ዝተፈጸመ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ፌደራላዊ መንግስቲን ሓይልታት ትግራይን ንኣዋርሕ ተቛሪጹ ዝነበረ ኲናት ዳግማይ ድሕሪ ምውልዑ'ዩ። ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝዘርገሖ ትዊተር \"ኣብ መቐለ፣ ለይቲ መጥቓዕቲ ድሮን ተፈጺሙ ኣሎ። ወትሃደራዊ ዒላማ ዘይብሉ ስፍራ እዩ ተደብዲቡ\" ከምዝበለ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ። ዳይሬክተር ሆስፒታል ዓይደር ዶ\/ር ክብሮም ገብረስላሴ ብወገኑ ‘’ኣስታት ፍርቂ ለይቲ፣ ኣብ ጥቃ’ቲ ሆስፒታል መጥቃዕቲ ድሮን ተፈጺሙ ኣሎ’ ክብል መረጋገጺ ሂቡ። ንሱ ወሲኹ ‘ዝተጎድኡ ሰባት፣ ናብ ሆስፒታል ከምዝመጹ’ ሓቢሩ። በዝሖም ግና ኣይጠቀሰን። ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወሃቢ ቃል ሰራዊትን ዝምልከቶም ሰበ ስልጣንን፣ ግብረ መልሲ ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይሰለጠን።ይኹን ደኣ እምበር ሎሚ ረቡዕ ዝወጸ መግለጺ መንግስቲ ሓይልታት ትግራይ ምስ ሱዳን ኣብ ዘዳወብ ምዕራባዊ ክፋል'ታ ሃገር መጥቓዕቲ ፈጺሞም ክብል ይኸስስ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%89%A5-%E1%8B%B5%E1%88%AE%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%8C%BB%E1%88%99-%E1%8A%A3%E1%8C%83%E1%8A%95%E1%88%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AB%E1%8A%95%E1%88%B5-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6724065.html"} {"headline":"ብጥምየት ንዝተጠቕዑ ኢትዮጵያዊያን ንምሕጋዝ ዝውዕል እኽሊ ጽዒና ካብ ዩክሬን ዝተበገሰት መርከብ ጅቡቲ ኣትያ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልይዎም ዘሎ ሚልዮናት ንምሕጋዝ እኽሊ ጽዒና ካብ ወደባት ዩክሬን ዝተበገሰት መርከብ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ጂቡቲ ኣትያ። እታ 23,000 ቶን እኽሊ ዝጻዓነት መርከብ፣ ድሕሪ ናይ ክልተ ሰሙን ጉዕዞ ካብ ዩክሬን ኣብ ወደብ ጂቡቲ ከምዝኣተወት ዳይሬክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዴቪድ ቢዝልይ ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣስታት 20.4 ሚልዮን ሰባት ውሕስና መግቢ ዘይብሎም ብጉድለት ኣመጋግባ ዝሳቀዩን ከምዘለው ትካል ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%8C%A5%E1%88%9D%E1%8B%A8%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%A0%E1%89%95%E1%8B%91-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8C%8B%E1%8B%9D-%E1%8B%9D%E1%8B%8D%E1%8B%95%E1%88%8D-%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%88%8A-%E1%8C%BD%E1%8B%92%E1%8A%93-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%A9%E1%8A%AD%E1%88%AC%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A0%E1%8C%88%E1%88%B0%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5-%E1%8C%85%E1%89%A1%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%AB-\/6722815.html"} {"headline":"ኣብ ዞባ ቦረና ብሰንኪ ደርቂ 7-ሽሕ ተማሃሮ ካብ ትምህርቲ ከምዘብኾሩ ተገሊጹ","content":"ኣብ ዞባ ቦረና ክልል ኦሮምያ፣ ብሰንኪ ደርቂ ልዕሊ 7-ሽሕ ተማሃሮ ካብ ትምህርቶም ከምዘብኾሩ ተፈሊጡ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ’ቲ ዞባ ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል ደርቂ ዘስዓቦ ጽልዋ፣ ወለዶም ማይ ክረኽቡ ኢሎም ካብ ቦታ ናብ ቦታ ስለዝንቀሳቀሱ ትምህርቶም ንከቋርጹ ከምዝግደዱ ሓቢሮም። ግዳያት ደርቂ ተማሃሮ መስከረም ንዝጅምር ዘበነ ትምህርቲ ትምህርቶም ክቅጽሉ ድዮም ኣይኽእሉን ዝብል ዘሻቅሎም ኮይኑ ከምዘሎ’ውን እቶም ሓላፊ ገሊጾም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%89%A6%E1%88%A8%E1%8A%93-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%89%82-7-%E1%88%BD%E1%88%95-%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%83%E1%88%AE-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%89%A5%E1%8A%BE%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6722833.html"} {"headline":"ፈጻሚት ስራሕ ኤምባሲ ኣመሪካን ዳይሬክተር ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲን ኣብ ሃረርን ድሬዳዋን ምብጻሕ ፈጺሞም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ፈጻሚት ስራሕ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣምባሳደር ትሬሲ ጃኮብሰንን ኣብ ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ትካል ሓገዝ ስግር ባሕሪ ኣመሪካ ሾን ጆንስን ኣብ ድሬዳዋን ሃረርን ምብጻሕ ፈጺሞም። ኣምባሳደር ጃኮብሰን ኣብ’ቲ እዋን ኣብ ዘስመዐዖ ቃል እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ጎንጺ ነባሪ ፍታሕ ክረክብ: ረድኤት ናብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ኢትዮጵያዊያን ንክባጻሕ፣ መግሃስቲ መሰላት ዝፈጸሙ ናብ ሕጊ ክቀርቡ ኣገዳሲ እዩ ኢለን። ብዘይካ'ዚ፣ ኣብ ሙሉእ’ታ ሃገር ንዝዋግኡ ሓይልታት ኣብ ዘሕለፈኦ መልእኽቲ ግጭት፣ መግሃስታትን ውግእን ደው ከብሉን ንሰላማዊ ፍታሕ ዕድል ንክህቡን ጻውዒት መንግስቲ ኣመሪካ ኣቅሪበን። ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ድሬዳዋን ሃረርን ዝበጽሑ ክልቲኦም ሰበ-ስልጣን፣ መንግስቲ ኣመሪካ ገንዘባዊ ሓገዝ ንዝገብረሎም ፕሮጀክታት ከምዝተዓዘቡ’ውን ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ይገልጽ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%88%E1%8C%BB%E1%88%9A%E1%89%B5-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8A%A4%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8A%95-%E1%8B%B3%E1%8B%AD%E1%88%AC%E1%8A%AD%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8B%A9%E1%8A%A4-%E1%8A%A4-%E1%8A%A3%E1%8B%AD-%E1%8B%B2%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%88%A8%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%8B%B5%E1%88%AC%E1%8B%B3%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%9E%E1%88%9D\/6722868.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ ሰብኣዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ሕጂ'ውን ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ገሊጹ","content":"ሕቡራት ሃገራት መሻርክቱ ዝኾኑ ትካላት ሰብኣዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ሕጂ'ውን ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ምሕባሮም ገሊጹ። ወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ጁዳሪክ ኣብቲ ኲናት ዝካየደሉ ዘሎ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምዝንባል ሰባት ከምዘሎ ዘይተረጋገጹ ሪፖርታት ከምዝበጽሖም ገሊጾም። ኣብ ደባርቅ:ደሴን:ወልድያ ካብ6:00 ክሳብ 7:00 ዝጸንሕ ሰዓታት እቶ እቶ ምእዋጁን እዚ ድማ ንምንቅስቃስ ሰባት:ተበጻሕነት ናይ ህጹጽ እዋን ኣገልግሎታትን ናይ ንግዲ ኣገልግሎትን ዝጸውል'ዩ ድሕሪ ምባል ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ንትግራይ ካብ ነሓሰ 24 ጀሚሩ ምቁራጹ ናብ ክልል ትግራይ ዝካየዱ ዝነበሩ በረራታት ሕቡራት ሃገራት ድማ ካብ ነሓሰ 25 ጀሚሩ ምቁራጹ እቶም ወሃቢ ቃል ገሊጾም። ኣብ ውሽጢ ትግራይ፣ መሻርኽቲ ሕ\/ሃ ዝኾና ትካላት ረድኤት፣ ናብ ህዝቢ መግቢን ካልኦት ኣገደስቲ ሰብኣዊ ቀረባትን ምክፍፋል ከምዝጀመራ እቲ ወሃቢ ቃል ገሊጹ። ንሶም ሕ\/ሃ ምስ መሻርክቲ ብምዃን ጸጥታ ክሳብ ዘፍቐዶ ሰብኣዊ ሓገዝ ምብጻሕ ከምዝቕጽሉ ሓቢሮም።ብመሰረት ዓለምለኸ ሕጊ ኩሎም ወገናት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ክብጻሕ ከፍቕዱ'ውን ጸዊዖም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%95%E1%8C%82-%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%B3%E1%88%B3%E1%89%A2-%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%91-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6721588.html"} {"headline":"ሚንስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ዝርግሐ ዝናብን ዘራእትን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከብ ገሊጹ","content":"ኣብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ሰነ ዝጀመረ ዝናብ ክረምቲ፡ብዓቐንን ዝርግሐን ጽቡቕ ብምንባሩ ዘራእቲ ክራማት ኣብ እዋኑ ተዘሪኦም ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከብ ሚንስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ገሊጹ። ኣብ’ቲ ሚኒስትሪ ሓላፊ ኣሃዱ ዘራእቲ ኣቶ ክብሮም መሓሪ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ዝበዝሑ ዘራእቲ ኣብ ቆጽላዊ ደረጃ ከምዝረከቡን ኣብ ኣዝመራ ዝተዘርኡ ዘራእቲ ከኣ ኣብ ምጉሳይ ከምዝበጽሑ ኣረዲኡ።ሓላፊ ሕርሻዊ ሜትርዮሎጂ ኣቶ ተኸስተ ወልደገብርኤል ብወገኑ ኣብ ዝበዝሑ ነቑጣታት ልዕሊ 300 ሚሊ-ሊተር ዝናብ ከምእተመዝገበ ገሊጹ’ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%88%95%E1%88%AD%E1%88%BB-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%88%90-%E1%8B%9D%E1%8A%93%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%8A%A5%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%BD%E1%89%A1%E1%89%95-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6721447.html"} {"headline":"ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዳግማይ ዝተወልዐ ኲናት ምቕጻሉ ተገሊጹ'ሎ","content":"ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ፈደራል ሰራዊትን ህወሓትን ዝካየድ ኲናት ንሻዱሻይ መዓልቱ ከምዝቐጸለ ካብቲ ቦታ ዝመጻና ዜና ሓቢሩ። ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ጸረ-መጥቃዕቲ ስርሒታቱ ቀጺሉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ`ሎ። ክልቲኦም ወገናት ነቲ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ጠጠው ኢሉ ዝነበረ ኲናት መን ዳግም ጀሚርዎ ኣብ ዝብል ነንሕድሕዶም ይካሰሱ`ለዉ። ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብወገኑ ተጻብኦታት ብቕጽበት ደው ክብል ይጽውዕ ኣሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንሃለወ፡ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ፡ ንናይ ስራሕ ምብጻሕ ናብ ኣልጀርያ ገይሹ`ሎ። ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ብዛዕባ`ቲ መገሻ ዝርዝር መብርሂ ኣይሃበን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%B3%E1%8C%8D%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%8B%93-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%8C%BB%E1%88%89-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9-%E1%88%8E\/6721352.html"} {"headline":"ሓይልታት ትግራይ ንከተማ ወልድያ ከምዘይተቆጻጸርዋ ገሊጾም","content":"ሓይልታት ትግራይ ንከተማ ወልዲያ ከምዘይተቖፃፀሩዋ ወሃቢ ቃል ሓይልታት ትግራይ ገሊፁ።ህወሓት ናብ ከተማ ወልዲያ ኣትዩ ክብላ ገለ ዓለምለኸ መሓውራት ዜና ትማሊ ሰንበት ምሸት ፀብፂበን ነይረን።ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እውን እቲ ግምት ተዘርጊሑ ነይሩ። ወኪል ህወሓት ሎሚ ሰኑይ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃል ግን ሓይልታት ትግራይ 'ገና' ናብታ ከተማ ኣይኣተውን ኢሉ። ሪፖርተር ድምጺ ኣመሪካ እቲ ከም ብሓዱሽ ዝተውልዐ ኵናት ኣብ ዙሪያ ቆቦ ዘተኮረ እዩ ይብል ። ወልዲያ ካብ ኣዲስ ኣበባ 300 ኪ.ሜ ናብ መቐለ ኣብ ዝወስድ መንገዲ ስትራቴጂካዊ ቦታ እትርከብ ከተማ እያ።ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣንፈት ደቡብ ንፌደራል መንግስቲ ደወል ሓደጋ እዩ።ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ህወሓት ንከተማ ደሴ ድሕሪ ምቁፅፃሩ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣስታት 200 ኪሎ ሜትሪ ቀሪቡ ነይሩ።ክልቲኦም መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓት ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝነበረ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ብምፍራስ ውግእ መን ጀመረ ነንሕድሕዶም ይካሰሱ ኣለው። ዝሓለፈ ዓርቢ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ደብዳብ ነፈርቲ መዋእለ ህጻናት ብምህራሙ ብውሑዱ ሸውዓተ ሰባት ምሟቶም ተፀብፂቡ እዩ። መንግስቲ: ህወሓት ናይ ፈጠራ ስእሊ ዘርጊሑ ክብል ከሲሱ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%8B%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%89%86%E1%8C%BB%E1%8C%B8%E1%88%AD%E1%8B%8B-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/6721396.html"} {"headline":"ወሃቢ ቃል ሕ\/ሃ ኣብ መቐለ ዝተኻየደ ደብዳብ ከምዘሻቐሎም ገሊጾም","content":"ኣብ መቐለ ደብዳብ ነፋሪት ምክያዱን ኣብ ልዕሊ ንብረትን ሰላማዊያን ሰባትን ጉድኣት ከምዘውረደ ዝሕብር ሪፖርት በጺሑና ኣሎ ዝበለ ወሃቢ ቃል ሕ\/ሃ: ኣዝዩ ዘሻቅል ምዕባለ እዩ፣ ክነረጋግጽ ኣይካኣልናን፣ እንተኾነ ኣብ መቐለ ሰራሕተኛታት ኣለውና፣ ደሓን ከምዝኾኑ ኣረጋጊጽና ኢና ኢሉ። እቲ ወሃቢ ቃል ናይ ርክባትን ናይ ምንቅስቃስን ጸገም ከምዘለዎም’ውን ፈሊጥና ኣለና ይብል። እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ ‘ከምዝመስለኒ፣ እቲ ናይ ሎሚ ፍጻመ ምቁራጽ ተኹሲ ንክትግበር ብቁዕ ምኽንያት እዩ። ኢትዮጵያ፣ ኣብ’ቲ ደርቂ ዘጥቀዖ ዞባ እያ ትርከብ። ብዛዕባ ሰብኣዊ ረድኤት ኢና ደጋጊምና ንዘራረብ ዘለና። ምኽንያቱ፣ ንኩሎም ኢትዮጵያዊያን ብማዕረ ስለንግደሰሎም፣ እቲ ውግእ ደው ክብል ይግባእ\" ይብል። ኩሎም ተዋጋእቲ ወገናት፣ ንሰላማዊያን ሰባት ካብ ሓደጋ ንምድሓን ክጽዕሩን፣ ልዕሊ ኩሉ ብዘይ ዕንቕፋት ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛት ምህላው ንከረጋግጹ’ውን ጸዊዑ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A2-%E1%89%83%E1%88%8D-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B0-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%BB%E1%89%90%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/6718389.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ መቐለ ብዝተፈፀመ ደብዳብ ነፋሪት ኣርባዕተ ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ መቐለ ሎሚ ዓርቢ ደብዳብ ነፋሪት ከምዝተፈጸመን ብውሑድ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝሞቱን ካልኦት ከምዝቆሰሉን ተፈሊጡ። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ ወትሃደራዊን መደብራት ታዕሊምን ከምዝሃርም ዝገለጸ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነበርቲ፣ ካብ’ዞም ዝተጠቀሱ ስፍራታት ክርሕቑ ኣጠንቂቑ። እቲ ደብዳብ ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ዝርከብ ታሪኻዊ ቤተ መንግስቲ ሃፀይ ዮውሃንስ ሰሜናዊ ኣንፈት ኣብ ዝርከቡ መፃወቲ ህፃናትን መንበሪ ኣባይትን ከምዝተፈፀመ ተሓቢሩ'ሎ። እቲ ደብዳብ ሎሚ ዓርቢ ከባቢ ሰዓት 6:30 እዩ ተፈጺሙ። በቲ ደብዳብ እዚ ፀብፃብ ክሳብ ዝተዳለወሉ ጊዜ ህይወት ኣርባዕተ ሰላማዊ ሰባት ከምዝሓለፈ ካብ ሪፌራል ሆስፒታል ዓይደር ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት። ሜዲካል ዳይሬክተር እቲ ሆስፒታል ዶክተር ክብሮም ገብረስላሴ ንድምፂ ኣመሪካ ከምዝገለፅዎ ካብ ዝተቐተሉ ኣርባዕተ ሰባት እቶም ክልተ ህፃናት ምዃኖም ሓቢሮም ኣለው። ካልኦት ትሻዓተ ሰባት ቆሲሎም ይሕከሙ ኣለዉ ዝበሉ ዶክተር ክብሮም፥ እቲ ሆስፒታል ልዑል ሕፅረት ናውቲ ሕክምናን ኣፋውስን ኣብዘለዎ እዋን እዩ ነዚኦም ብዝከኣሎ ይሕክም ኣሎ ክብሉ ገሊፆም። እቲ ደብዳብ ዝተፈፀመሉ ሬስ ኪድስ ፓራዳይስ ናይ ዝተባህለ ማእከል መፃወቲ ህፃናት ኣካያዲ ስራሕ ኣይተ ተወልደ ከበደ ብወገኖም እቲ ከባቢ መንበሪ ኣባይቲ ህፃናት ዝውዕልሉ መፃወትን ቤት ትምህርትን እምበር ዝኾነ ወታሃደራዊ ምንቅስቓስ ዘይብሉ ከባቢ እዮም ክብሉ ሓቢሮም። ኣቐዲሙ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንወታሃደራዊ ዒላማታት ከምዝሃርም አኣፍሊጡ ኔሩ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ንወታሃደራዊ መኻዚኖታትን ወታሃደራዊ ዒላማታት ከምዝሃርም ብምግላጽ ሰላማውያን ሰባት ካብዞም ዝተባህሉ ከባቢታት ክርሕቁ ጸዊዑ ምንባሩ ተገሊጹ'ሎ። ሚንስትሪ ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ንትካል ዜና ፈረንሳ ዝሃቦ መግለጺ \"ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንሰላማዊያን ሰባት ደብዲቡ ንዝብል ዝቀርብ ዘሎ ክሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነጺግዎ ኣሎ።ህወሓት ንሞት ሰላማዊያን ሰባት የዋድድ ኣሎ፣ ሓይሊ ኣየር ንወትሃደራዊ መደብራት ጥራሕ ዒላማ ይገብር ኣሎ\"ይብል። መንግስቲ ኢትዮጵያ ወሲኹ ኣሸባሪ ዝብሎ ህወሓት፣ ሓይሊ ኣየር ንሰላማዊያን ሰባት ደብዲቡ መታን ክባሃል፣ ኣስከሬናት ኣብ መንበሪ ከባቢ ከምዘቀመጠ ይገልጽ። ኣብ ወርሒ ጥሪ መግለጺ ዝሃበ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕ\/ሃ ብወገኑ፣ ኣብ ልዕሊ ወትሃደራዊ ትሕዝቶ ዘይብሎም ከባቢታት ዝፍጸም ደብዳብ ማዕረ ገበን ኹናት እዩ ዝቁጸር ከምዝበለ ዝዝከር እዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8D%80%E1%88%98-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%89%A5-%E1%8A%90%E1%8D%8B%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%AD%E1%89%A3%E1%8B%95%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/6718018.html"} {"headline":"ሰለስተ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ዳግማይ ዝተወለዓ ዂናት ብሰላም ክፍታሕ ጸዊዖም","content":"ሰለስተ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ እቲ ከም ሓድሽ ተወሊዑ ዘሎ ዂናት ብሰላም ክፍታሕ ፀዊዖም። እቶም ሎሚ ንመሓውራት ዜና መግለጺ ዝሃቡ ሰለስተ ውድባት እናት ፓርቲ፣ መኢኣድን ኢህአፓ ኾይኖም ቅድም ክብል በቲ ዂናት ብዙሕ ህይወትን ንብረትን ከምዝጠፈአ ብምግላጽ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ሰላማዊ ኣማራፅታት ክጥቀሙ ሓቲቶም። እቶም ውድባት ኣብ ዝሃቡዎ ሓባራዊ መግለፂ ኢትዮጵያ ብዙሓት ፀገማት ኣለውዋ፣ ሕጂ ካልእ ተወሳኺ ፀገም ኣየድልያን ኢሎም። ስለዝኾነ ድማ እቲ ዂናት በሰላማዊ ዘተ ጥራሕ ክፍታሕ ከምዘለዎ ተላቢዮም። እቲ ውግእ ሃዲኡ ኣብ ዝነበረሉ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ እውን እንተኾነ ብኽልቲኦም ወገን ናይ ቃላትን ፕሮፖጋንዳን ዂናት ደው ከምዘይበለ ዝገለፁ እቶም ውድባት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ብሓይሊ ሰብን ብናውትን ክዳለው ድሕሪ ምጽናሕ ነቲ ዂናት ምውልዖም ኣብሪሆም። እንተኾነ፣ ነቲ ፀገም ብሕታዊ መፍትሒ ክኸውን ዘለዎ ሰላማዊ ዘተ ጥራሕ እዩ ኢሎም። እቲ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓት ዝተጀመረ ዘተ ሰላም ንኹሎም ዝምልከቶም ኣካላት ዘየካትት ከምዝነበረ ክገልጹ ምጽንሖም ዝሓበሩ እቶም ውድባት ፖለቲካ፣ ይኹን ደኣ እምበር ሕጂ እውን እቲ ዘዋፅእ መፍትሒ ነቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ዘተ ሰላም ምቕፃል'ዩ ክብሉ ገሊፆም ኣለው። መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ነቲ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ዳግም ዝተወለዐ ዂናት መን ጀሚሩዎ ኣብዝብል ንሓድሕዶም ይካሰሱ። 'ወታሃደራዊ ኮማንድ ትግራይ' 18 ነሓሰ ንጎሆ ሰዓት ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ክልል ኣምሓራንን ኣብልዕሌና መጥቃዕቲ ፈፂሞም ብምባል መግለፂ ሂቡ : ነዚ ስዒቡ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት መግለፂ ዝሃበ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ነቲ ናይ ህወሓት ክሲ ነፂጉ፣ ነቲ ዂናት ዝወለዖ ህወሓት ከምዝኾነ ኣመልኪቱ። እቲ ዂናት ምስተወለዐ ማሕበረሰብ ዓለም ክልቲኦም አካላት ነቲ ኩናት ጠጠው ከብሉን ናብ ሰላማዊ ዘተ ክምለሱን ይጠልብ ኣሎ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣመሪካ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕብረት ኣውሮጳን ኢጋድ እቲ ዂናት ዳግም ምውልዑ ከምዘተሓሳሰቦም ገሊፆም ኣለው።ክልቲኦም ወገናት ናብ ዘተ ሰላም ክምለሱ እውን ሓቲቶም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%88%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%B3%E1%8C%8D%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8B%93-%E1%8B%82%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%88%95-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%96%E1%88%9D\/6718178.html"} {"headline":"ዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃ ምስ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድን ዶ\/ር ደብረጽየንን ምዝርራቦም ወሃቢ ቃሎም ኣፍሊጡ","content":"ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ምስ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶ\/ር ደብረጽየን ገ\/ሚካኤልን ተዘራሪቦም። ወሃቢ ቃል እቶም ዋና ጸሓፊ ስቴፈን ዱጀሪክ ምስ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ዝተዘራረቡ ጉተረዝ ውግእ ብህጹጽ ደው ክብልን ኩሉ ሓቆፍ ፖለቲካዊ ልዝብ ንክጅምርን ጸዊዖም ኢሉ። ሕቡራት ሃገራት ንተበግሶ ሽምግልና ሕብረት ኣፍሪቃ ንምድጋፍ ቅሩብ ከምዝኾነ’ውን እቲ ወሃቢ ቃል ኣፍሊጡ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%8A-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%8A%95-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%8C%BD%E1%8B%A8%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%88%AB%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A2-%E1%89%83%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6716757.html"} {"headline":"ትማሊ ዳግማይ ዝጀመረ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ሎሚ'ውን ቀጺሉ ምውዓሉ ተገሊጹ","content":"ይትግበር ንዝነበረ ጊዚያዊ ስምምዕነት ምቁራጽ ተኹሲ ብምጥሓስ ነንባዕሎም ዝካሰሱ፣ ሓይልታት ፌደራል መንግስቲን ክልል ትግራይን፣ ትማሊ ረቡዕ ዝጀመርዎ ውግእ ሎሚ’ውን ቀጺሎምሉ ከምዝዋዓሉ ነበርቲ ቆቦን ከባቢኡን ገሊጾም። ሎሚ ኣብ ወልድያ መደረ ዘስምዑ ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ዶ\/ር ይልቃል ከፍኣለ \"ሓይልታት ትግራይ ንዝኸፈቱልና ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ፣ ሰራዊት ምክልኻል፣ ሓይልታት ኣምሓራን ሚልሻን ይምክትዎ ኣለው\" ኢሎም። ኣቐዲሙ መግለጺ ዝሃበ 'ወትሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ': ‘ጸላኢ’ ክብል ዝገልጾም ክፍለ ሰራዊታት ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ፣ ሚልሻታትን ፋኖን ወሎ፣ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ተላፊኖም መጥቓዕቲ ከምዝኸፈቱ ኣፍሊጡ ኣሎ። ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ወሃብቲ ርእይቶ ኣብ ከባቢታት ቆቦ ድምጺ ከቢድ ብረት ከምዝስማዕ ገሊጾም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B5%E1%88%9B%E1%88%8A-%E1%8B%B3%E1%8C%8D%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8C%80%E1%88%98%E1%88%A8-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%89%80%E1%8C%BA%E1%88%89-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%8B%93%E1%88%89-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6716743.html"} {"headline":"ሓላፊ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ህወሓት ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝተመደበ ነዳዲ ሰሪቑ ክብል ይከስስ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቲ ነዳዲ ንክምለስ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ድማ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ስጉምቲ ንክወስድ ጸዊዑ። ሓላፊ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዴቪድ ቢዝልይ ብትዊተር ኣብ ዘውጽኦ መልእኽቲ ሓይልታት ትግራይ፣ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ተዳልዩ ንዝነበረ 570-ሽሕ ሊትሮ ነዳዲ ከምዝሰረቁ ገሊጹ ኣሎ። እዚ ዳሕረዋይ ዜና ይስማዕ ዘሎ፣ ኣብ ሞንጎ መንግስቲን ሓይልታት ትግራይን፣ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ምቁራጽ ተኹሲ፣ ትማሊ ረቡዕ ድሕሪ ምፍራሱ እዩ። ክልል ትግራይ፣ ንዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ሙሉእ ዕጽዋ እያ ጸኒሓ። ብመሰረት ትካላት ረድኤት፣ ገለ ክፋል’ቲ ክልል ኣብ ኩነተ ጥምየት ኣትዩ ይርከብ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦስሎ ኖርዌይ ዝነጥፍ ፕሮፈሰር ክጀቲል ትሮንቮል አብ ዝጻሓፎ መልእኽቲ ትዊተር \"ሪፖርት ሕቡራት ሃገራት ከምዝሕብሮ እቲ ነዳዲ ካብ ሰበ-ስልጣን ትግራይ ብልቃሕ ዝተረኸበን ዝተመለሰን ከምዝኾነ፣ ስለዚ፣ ህወሓት ነቲ ነዳዲ መሊሱ ምውሳዱ፣ መሰሉ እዩ\" ይብል። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8A-%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%B0%E1%89%A0-%E1%8A%90%E1%8B%B3%E1%8B%B2-%E1%88%B0%E1%88%AA%E1%89%91-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8B%AD%E1%8A%A8%E1%88%B5%E1%88%B5\/6716590.html"} {"headline":"ቤ\/ጽ ዝምድናታት ክልል ትግራይ ብሓላፊ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንዝቐረበ ክሲ ኣሉታዊ ምላሽ ይህብ","content":"ኣብ ልዕሊ’ቲ ብዳይረክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝቐረበ ክሲ ግብረ መልሲ ዝሃበ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ክልል ትግራይ መንግስቲ ክልል ትግራይ፣ ምስ ንህዝቢ ትግራይ ኣገዳሲ ረድኤት ዘቅርቡ ትካላት ረድኤት፣ ሰናይ ናይ ስራሕ ርክብ ክቕጽል ድልየቱ ከምዝኾነ ሓቢሩ። እንተኾነ ይብል እቲ መግለጺ \"ዳይረክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዴቪድ ቢዝልይ ዝሃቦ ሓጋዚ ዘይኮነን፣ መንግስቲ ክልል ትግራይ ነዳዲ ‘ሰሪቁናን’ ዝብል መግለጺ፣ ኣዝዩ ዘሻቅል እዩ\" ይብል። \"ዴቪድ ብዝልይ፣ ከምዚ ዝበለ ጠቀነ ቅድሚ ምቅልሑ ዝርዝሩ ክፈልጦ ይግባእ ነይሩ። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ካብ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ነዳዲ ኣይሰረቀን፣ ልዕሊ 6-ሽሕ ሊትሮ ነዳዲ ንፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣለቂሕዎ ከምዝነበረ፣ ብመሰረት ስምምዕነትና፣ ንክምለሰልና ኢና ሓቲትና።\" እቲ መግለጺ እቲ ነዳዲ፣ ኣብ’ቶም ወረርቲ ዝብሎም ሓይልታት ዝተዘርፉን ዝዓነውን ሆስፒታላት፣ ክሊኒካትን ካልኦት ትካላትን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ንምሃብ ኣብ ከምዝውዕል'ውን ይገልጽ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4-%E1%8C%BD-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%8A%93%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8A-%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%88%A8%E1%89%A0-%E1%8A%AD%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%88%89%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%BD-%E1%8B%AD%E1%88%85%E1%89%A5\/6716632.html"} {"headline":"ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዳግማይ ዝጀመረ ኲናት ንሚልዮናት ሰባት ኣብ ጥምየት ዘውድቕ'ዩ ክብል ኣፍሊጡ","content":"ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግም ዝተወለዐ ውግእ፣ ንሚልዮናት ሰባት ናብ ጥምየት ዘውድቅ ሓደጋ እዩ ክብል ኣፍሊጡ። ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲን ክልል ትግራይን ተበጺሑ ዝነበረ ጊዚያዊ ምቁራጽ ተኹሲ፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ኣስታት 5 ሚልዮን ህዝቢ ክልል ትግራይ ንምብጻሕ ሓጋዚ ከምዝነበረ’ውን ኣዘኻኺሩ። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ዕጡቃት ናብ’ቲ ኣብ መቐለ ዝርከብ መደብር ኣትዮም፣ ንልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሊትሮ ነዳዲ ብሓይሊ ከምዝሓዙ’ውን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ ኣሎ። ወሃቢ ቃል ህወሓት ዛጊት ዝሃቦ ግብረ መልሲ የለን። ብዘይካ’ቲ ነዳዲ፣ፕሮግራም መግቢ ዓለም ናብ ሙሉእ ክልል ትግራይ፣ መግቢ፣ ዱኽዒ፣ መድሃኒትን ካልኦት ቀረባትን ከባጽሕ፣ ኤለክትሪክን መካይንን ከንቀሳቅስ ስለዘይኽእል፣ሰበ ስልጣን'ቲ ክልል ነቲ ነዳዲ ንክምልስሉ ሓቲቱ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%B3%E1%8C%8D%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8C%80%E1%88%98%E1%88%A8-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%A5%E1%88%9D%E1%8B%A8%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%95-%E1%8B%A9-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6716552.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቅ ምስ ንስነ-ጥበባውያን ክፍሎም ይከኣሎን ምሕረትኣብ ጸጋብርሃንን","content":"ዋሽንግተን — ክፍሎም ዝደረፋን ምሕረታኣብ ዝገጠማን ኣብ ቀረባ ዝተዘርገሐት 'መንነትይ' ትብል ደርፊ መዘራራቢት ኮይና'ላ። ብዛዕባ እዛ ደርፍን ጉዕዞኦምን ተመኩሮን ኣብ ስነ ጥበብን ክካፍሉና ንስነ ጥበባውያን ክፍሎም ይከኣሎን ምሕረትኣብ ጸጋብርሃንን ዓዲምና'ዮም አለና። ምንያ ኣፈወርቂ ጥለብ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%85-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%8C%A5%E1%89%A0%E1%89%A3%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8B%AD%E1%8A%A8%E1%8A%A3%E1%88%8E%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%88%A8%E1%89%B5%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%B8%E1%8C%8B%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%83%E1%8A%95%E1%8A%95\/6716455.html"} {"headline":"ብዓል ኣሸንዳ ኣብ ክልል ትግራይ","content":"ብዓል ኣሸንዳ ኣብ ክልል ትግራይ ንሳልሳይ ዓመት ኣብ ኣደባባይ ኣይተኸበረን።እቲ ብዓል ብባህላዊ ኽዳንን ኣሰራርሓ ፀጉርን መጋየፅታትን ዝደመቓ ደቂ ኣንስትዮ በብከባቢኡ ኣኽቢረንኦ ኣለዋ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%B8%E1%8A%95%E1%8B%B3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/6713548.html"} {"headline":"ኮሚሽን ሃገራዊ ልዝብ ኢትዮጵያ ናብ ክልል ትግራይ ክበጽሕ ምውጣኑ ተፈሊጡ","content":"ኮምሽን ሃገራዊ ልዝብ ኢትዮጵያ ናብ ክልል ትግራይ ክበጽሕ ከምዝወጠነ ተፈሊጡ። እቲ ኮምሽን፣ ንኩሎም ከባቢታትን ክፍሊ ሕብረተሰብን ንምሕቛፍ ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ፣ ግጭት ዘለዎም ከባቢታት’ውን ንምሕዋስ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣባል’ታ ኮምሽን ዶ\/ር ዮናስ ኣዳዬ ገሊጾም። ዶ\/ር ዮናስ ነዚ ርእይቶ’ዚ ዝሃቡ ኣብ’ቲ ሎሚ ዝተኻየደ ሲቪካዊ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ፓርቲታትን ዘሳተፈ ኣኼባ እዩ ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%8D%E1%8B%9D%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%89%A0%E1%8C%BD%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%8C%A3%E1%8A%91-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6713412.html"} {"headline":"ኣብ ጸለምትን ከባቢኡን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዘሎ ካብቲ ቦታ ምምጽኦም ዝሓበሩ ሰባት ገሊጾም","content":"ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝቆጻጸርዎ ጸለምትን ከባቢኡን ዘለዋ ወረዳታት ዝርከቡ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዝርከቡ ካብ’ቲ ከባቢ መጺኦም ዝተባህሉ ኣባላት ኮሚቴ ሕቶ መንነት ጸለምት ገሊጾም። እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ህወሓት፣ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ዝላኣኽ ሓገዝ ናብ’ቲ ከባቢ ከምዘየከፋፍልን ሰባት ድማ ብሰንኪ ሕጽረት መድሃኒትን ብጥሜትን ይሞቱ ከምዘለውን ሓቢሮም። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስቲን ክልል ትግራይ ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ \"ዝኣክል ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ኣይኣቱን ዘሎ፣ ካብ’ቲ ዝኣተወ ረድኤት’ውን እንተኾነ፣ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ናብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ናብ ዝርከቡ ዜጋታት ንምብጻሕ ጸገም ኣሎ\" ኢሎም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ‘እቲ ጸገም፣ ሕጽረት ረድኤት ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ፣ ረድኤት ናብ ዘድልዮ ህዝቢ ዘይኮነስ፣ ናብ ሓይልታት ትግራይ ይውሰድ ስለዘሎ እዩ’ ከምዝብል ሪፖርተርና ኣስቴር ምስጋናው ካብ ባህርዳር ዝላኣኸቶ ዜና ሓቢሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%B8%E1%88%88%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%8A%A1%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%89%A2%E1%8B%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%89%85%E1%88%8D%E1%8B%8D%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8A%AB%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%89%A6%E1%89%B3-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8C%BD%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%89%A0%E1%88%A9-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/6713423.html"} {"headline":"ዞባ ጉራጌ: ዘይቕኑዕ ሓበሬታ ብምዝርጋሕን ዕግርግር ብምፍጣርን ዝተጠርጠሩ ሰባት ምእሳሮም ፖሊስ ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ዞባ ጉራጌ ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ብምፍናውን ዕግርግር ብምፍጣርን ንናይ ህዝቢ ሰላም ዘሪጎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ሰባት ምእሳሮም ፖሊስ ክልል ደቡብ ኣፍሊጡ። ኮምሽነር ፖሊስ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ኣቶ ኣለማየሁ ማሞ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ \"ሓለፍቲ’ቲ ዞባ ሓዊሱ፣ ብርክት ዝበሉ ሰባት ተኣሲሮም ኣለው\" ኢሎም። ቤተሰብ’ቶም ዝተኣሰሩ ሰባት ግና፣ ንሰበ ስልጣን ሓዊሱ 13 ውልቀ ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ተኣሲሮም ክብሉ ገሊጾም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%8C%89%E1%88%AB%E1%8C%8C-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%95%E1%8A%91%E1%8B%95-%E1%88%93%E1%89%A0%E1%88%AC%E1%89%B3-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8C%8B%E1%88%95%E1%8A%95-%E1%8B%95%E1%8C%8D%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%88%AD-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%8C%A3%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%A0%E1%88%AD%E1%8C%A0%E1%88%A9-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%88%B3%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6713437.html"} {"headline":"ምላሽ ክልል ትግራይ ካብቲ ክልል ተመዛቢሎም ኣብ ክልል ኣምሓራ ተዓቑቦም ብዛዕባ ዝተባህሉ ተወላዶ ትግራይ","content":"ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ክልል ትግራይ ዝተፈናቐሉ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ሰሜን ወሎ ይኣትዉ ከምዘለዉ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ሰሜን ወሎ ይግለጽ ኣሎ። ብዛዕባ’ዞም ካብ ክልል ትግራይ ተመዛቢሎም ዝተባህሉ ተወላዶ ትግራይ ብዝምልከት ንሓላፊ ቢሮ ኮሚኒኬሽን ክልል ትግራይ ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም ኣዘራሪብናዮም ኣለና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%BD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%AB%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A2%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%89%91%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%8B%9B%E1%8B%95%E1%89%A3-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%89-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B6-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/6711741.html"} {"headline":"ካብ ክልል ትግራይ ዝተፈናቐሉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ሰሜን ወሎ ይኣትው ምህላው ተገሊጹ","content":"ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ክልል ትግራይ ዝተፈናቐሉ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ሰሜን ወሎ ይኣትዉ ከምዘለዉ ይግለጽ ኣሎ። ንሳቶም ብሰንኪ ሕሰም ናብራን ስእነት ሰላምን ከባቢኦም ምሕዳጎም ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም ኣለዉ። ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ እቲ ምኽንያት መሰረታዊ ሸቐጣት ናብ ክልል ትግራይ ከይኣቱ ምኽልካሉ`ዩ ይብል። ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ኣዋርሕ ጥራሕ፡ ልዕሊ ሓሙሽተ-ሺሕ ዝኾኑ ተፈናቐልቲ ክልል ትግራይ ኣብ ደቡብ ወሎ ናብ ዝርከብ `ጃሪ` ዝተባህለ መዕቆቢ ከምዝኣተዉ፡ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ሰሜን ወሎ ይገልጽ። መደበር ፖሊስ ከተማ ቆቦ፡ ካብ ትግራይ ንዝመጹ ተፈናቐልቲ ኣብ ምትእንጋድን መንነቶም ኣብ ምጽራይን ስለዝተጸምደ ስሩዕ ናይ ጸጥታ ስርሑ ክፍጽም ከምዝተጸገመ ይገልጽ። በዓል ሓዳርን ኣቦ ቆልዑን ምዃኑ ዝገለጸን ንድሕነት ቤተሰበይ ክብል ሽመይ ኣይጠቐሰለይ ዝበለን ተፈናቓላይ፡ ካብ መቐለ ተበጊሱ ናብ ኣላማጣ ብመኪና፡ ካብ ኣላማጣ ናብ ዋጃ ብባጃጅ ፡ ካብኡ ግን ክሳብ`ቲ ሰራዊት ምክልኻል ዘለዎ ዶብ ቆቦ ናይ ሰለስተ ሰዓት ኣድካሚ ናይ እግሪ ጉዕዞ ቆቦ ከምዝኣተወ ይገልጽ። ካብ መቐለ ዝወጻሉ ምኽንያት ክገልጽ ከሎ ድማ “ገንዘብ የለን ኣስቤዛ`ውን ክቡር`ዩ፡ ብኽቡር`ኳ ከይትገዝእ እቲ ብር`ውን የለን። በዚ ምኽንያት ኢና ናብ ማእከል ሃገር መጺና ዘለና። ኣነ ሕጂ ደቀይ ሰበይተን ገዲፈ`የ መጽየ” ይብል። ኣልፊያ ኑርሑሰን ዝተባህለት ነባሪት ከባቢ መኾኒ ድማ ብሰንኪ ስእነት ሰላምን ስእነት ስራሕን ከባቢኣ ሓዲጋ ክትወጽእ ከምዝተገደደት ትገልጽ። ብኻልእ ወገን ካብ መቐለ ዝመጸ ወሃቢ ርእይቶ ካብ ዓለም-ለኸ ትካላት ረድኤት ዝውሃብ ሓገዝ ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ`ኳ እንተኾነ ብግቡእ መንገዲ ናብ ህዝቢ ኣይባጻሕን ኣሎ ይብል። “ረድኤት እንተኣተወ`ውን ብግቡእ ኣይውሃብን`ዩ፡ ክኣቱ ንርእዮ ኢና ግን ሰብ ክሓትት ኣይክእልን`ዩ፡ ኣነ ረድኤት ተገይሩለይ ወይ ተቐቢለ ኣይፈልጥን`የ “ ይብል። ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ፡ ኣብ ቀረባ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡን መሻርኽቲ ዩ.ኤስ.ኣይ.ዲ ዘንቀሳቕስዎምን መኻዚኖታት ብመግብን ህይወት ኣድሕን ቀረባት መሊኦም ከምዝርከቡ ተዛሪቡ ኔሩ። ኣምባሳደር ትሬሲ ጃኮብሰን ዝሓለፈ ወርሒ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ 2-ሚልየን ሊትሮ ነዳዲ ብዘይቀረጽ ካብ ጅቡቲ ናብ ክልል ትግራይ ንክኣቱ መንግስቲ ንመሻርኽቲ ትካላት ረድኤት ፍቓድ ምሃቡ ሓቢራ ኔራ። ካብ መንጎ`ዞም ካብ ክልል ትግራይ ተፈናቒሎም ኣብ ደቡብ ወሎ ተዓቑቦም ዘለዉ ተፈናቐልቲ ሓደ ወዲ 17-ዓመት መንእሰይ ኣብ ትግራይ ወተሃደራዊ ምልመላ ብግዴታ ከምዝካየድ ይጠቅስ። “ካብ ሓደ ገዛ ሓደ ሰብ ንወተሃደራዊ ስልጠና ክወጽእ ግድን`ዩ\" ይብል። ሓላፊ ኮምኒኬሽን ክልል ትግራይ`ውን ንህልውና ዝግበር ዂናት ስለዝኾነ ካብ ሓደ ገዛ ሓደ ጥራይ ዘይኮነ ካብኡ ንላዕሊ`ውን ንቃልሲ ይወጽእ`ዩ ኢሉ ኔሩ`ዩ። ህወሓት ዕድሚኦም ንውትህድርና ዘይኣኸለ ቆልዑ የስልፍ`ዩ ንዝብል ክሲ ግን ብዝተፈላለዩ መግለጺታቱ ኣሉታ ክህበሉ ጸኒሑ`ዩ። ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ክልል ትግራይ ተፈናቒሎም ብጊዝያዊነት ኣብ ዘዕርፍሉ መደበር ፖሊስ ቆቦ ዝሰርሕ ዋና ሳጅን መለስ በላይ፡ ካብ ክልል ትግራይ ናብ ማእከል ሃገር ንምእታው መንገድታት ስለዝተዓጽወ፡ ተፈናቐልቲ ቆቦ ንምእታው ኣጸጋሚ ጉዕዞ ከምዝገብሩ ንድምጺ ኣመሪካ ይገልጽ። ሓላፊ ኮሙኒኬሽን ወረዳ ቆቦ ጥላሁን ኣሌ ብወገኑ፡ እቲ ኸባቢ ሕቶ መንነት ራያ ዝለዓለሉ ብምዃኑ ብዙሓት ሰባት በብመዓልቱ ተፈናቒሎም ናብ ቆቦ ከምዝኣትዉ ይገልጽ። ከም ሓበሬታ ኣቶ ጥላሁን ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ ጥራሕ፡ ልዕሊ 25 ሺሕ ሰባት ተፈናቒሎም ዝኣተዉ ክኾኑ ክለዉ፡ ካብ መንጎኦም 5,284 ካብ ከባብታት ትግራይ ዝመጹ`ዮም። ካብ መንጎኦም ድማ 2,028 ደቀንስትዮን ሕጻናትን`ዮም ኢሉ። በብመዓልቱ ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ዘለዎም ተፈናቐልቲ ዘስተናግድ መደበር ፖሊስ ቆቦ፡ ስሩዕ ስርሑ ክዓምም ከምዝተጸገመ ሓላፊ ፖሊስ ወረዳ ኮማንደር ነጋ ድንብሩ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት ኣረጋጊጹ`ሎ። እቶም ተፈናቐልቲ፡ ኣብ ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ ምስ ዝነብሩ ኣዝማዶም ንምጽንባር ኮነ ሰሪሖም ንምንባር ዝኽእልሉ ዕድል ክፍጠረሎም ሓቲቶም ኣለዉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8A%93%E1%89%90%E1%88%89-%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%88%BD%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%91%E1%8C%B8%E1%88%A9-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%8B%88%E1%88%8E-%E1%8B%AD%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%8D-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6711731.html"} {"headline":"ኣባል ኣመራርሓ ውድብ ባይቶና ኣቶ ክብሮም በርሀ ኣብ መአረሚ ኣባ ሳሙኤል ምህላዎም ስድራቤቶም ገሊጾም","content":"ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ውድብ ባይቶና ዝኾኑ ኣቶ ክብሮም በርሀ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ መአረሚ ኣባሳሙኤል ከምዘለው ስድራቤቶም ገሊፆም። በዓልቲ ቤት ኣቶ ክብሮም ወይዘሮ ፅታ ሃለዋት ክብሮም በርሀ ድሕሪ 35 መዓልታት ከምዝተፈልጠ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢረን። እቶም ፖለቲከኛ ካብ ክልል ዓፋር ኣዋሽ ሰባት ናብ ኣዲስኣበባ ዝመፁ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 12 ነሓሰ 2014 ዓ.ም እዩ።ኣቶ ክብሮም ብ 11 ነሓሰ 2014 ኣብ ክልል ዓፋር ኣዋሽ ሰባት ናብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ከምዝነበሩን፣ፖሊስ ጉዳዮም ንምፅራይ ተወሳኺ 14 መዓልታት ምሕታቱን ወይዘሮ ፅታ ሓቢረን። ኣቶ ክብሮም በርሀ 25 ነሓሰ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ቆፀሮ ተዋሂቡ ኣሎ። ንኣተሓሕዘኦም ብዝምልከት ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበርሉ ቤትማእሰርቲ እቲ ሕጂ ዘለውሉ ከምዝሓይሽ ኣቶ ክብሮም ከምዝገለፁለን ወይዘሮ ፅታ ሓቢረን። ፌደራል ፖሊስ ኣቶ ክብሮምን ምስኦም ተኣሲሮም ዝነበሩ ካልኦት 20 ተጠርጠርትን ካብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ከምዘይተረከበ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቤት ፍርዲ ገሊፁ ነይሩ።ሓለፍቲ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ንኣቶ ክብሮምን ነቶም ካልኦት ተጠርጠርትን ንፌደራል ፖሊስ ዘረከብሉ ሰነዳዊ መረዳእታ ሒዞም ን18 ነሓሰ ክቐርቡ ዝሓለፈ ሰሙን ትእዛዝ ተዋሂቡ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%AD%E1%88%93-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%88%80-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%A0%E1%88%A8%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A3-%E1%88%B3%E1%88%99%E1%8A%A4%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%88%B5%E1%8B%B5%E1%88%AB%E1%89%A4%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/6712035.html"} {"headline":"ኤርትራ : ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ሽልማት ዝረኸበት ናይ ትግርኛ ፊልም","content":"ብኤፍሬም ካሕሳይ(ወዲ ዃዳ) ተደሪሳ ዝተኣልየት ናይ ትግርኛ ፊልም “ዓለም ኣብ’ቲ ደብሪ” ኣብ ሂዩስተን፡ ፓሪስ፡ ስቶኮሎምን ካይሮን ናይ ፊልም ፈስቲቫላት ተወዳዲራ ዝተፈላለዩ ሽልማታት ረኺባ። ንደራሲን ኣላዪን እዛ ፊልም ስነ-ጥበበኛ ኤፍሬም ካሕሳይን ኣብታ ፊልም ብዝገበርዎ ኣበርክቶ ብውልቂ ሽልማት ንዝረኸቡ ስነ-ጥበበኛታትን ኣዘራሪብና ኣለና። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%85%E1%8C%89%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%8A%BD-%E1%88%BD%E1%88%8D%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%8A%B8%E1%89%A0%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AD%E1%8A%9B-%E1%8D%8A%E1%88%8D%E1%88%9D\/6708506.html"} {"headline":"ገብረስላሰ ገብረፃድቕ ብዝኽሪ ቀረብቱ","content":"ብጭራ ዋጣን ካልእ ባህላዊ ፀወታን ተዛካሪ ሙዚቃ ዝሰርሐ ገብረስላሰ ገብረፃድቕ ቅድሚ ቀረባ መዓልታት ብሞት ተፈልዩ። ገብረስላሰ ካብ ስድራኡ ዝገጥሞ ዝነበረ ፀቕጢን ንሙዚቃ ዝኸፈሎ መስዋእቲን ሓዉ ተስፋይ ገብረፃድቕ ኣውጊዑና ኣሎ። መሳርሕቱ ነበር እምብዛ ስብሃት ድማ ንሙዚቃዊ ስራሑ ዝጥምት ዝኽሪ ኣካፊሉ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%88%8B%E1%88%B0-%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%8D%83%E1%8B%B5%E1%89%95-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%89%80%E1%88%A8%E1%89%A5%E1%89%B1\/6708870.html"} {"headline":"ሰራሕተኛታት ርክብ ኣቛሪጻ ዝነበረት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንግዚኡ ካብ ስራሕ ደው ምባሎም ተፈሊጡ","content":"ካብ ዋና ከተማ ሱዳን ካርቱም ናብ ኣዲስ ኣበባ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ፓይሎታ ምስ ኣብ ባይታ ዘለዉ ተቖጻጸርቲ ርክብ ብምጥፍኡ ስግኣት ተፈጢሩ ምንባሩ እንተኾነ እታ ነፋሪት ብሰላም ምዕራፋ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ኣቪየሽን ሄራልድ ዝተባህለ ንሓደጋታት ነፈርቲ ዝከታተል መርበብ ሓበሬታ፡ \"እቲ ርክብ ዝተቛረጸ እቶም ኣብረርቲ ስለዝደቀሱ`ዩ\" ዝብል ሓበሬታ ዘርጊሑ`ሎ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዛዕባ ምድቃስ ፓይለት ተወሳኺ መርመራ የድሊ ብዝብል ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ`ሎ። እንተኾነ ምስታ ካብ ካርቱም ናብ ኣዲስ ኣበባ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት ንግዚኡ ርክብ ተቛሪጹ ከም ዝነበረ፡ ድሓር ግን እታ ነፋሪት ብሰላም ከም ዝዓለበት ኣፍሊጡ`ሎ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እቲ መርመራ ክሳብ ዝካየድ ዝምልከቶም ሰራሕተኛታት በረራ`ታ ነፋሪት ካብ ስራሕ ከም ዝኣገዶም ኣፍሊጡ`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%AD%E1%8A%AD%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%89%9B%E1%88%AA%E1%8C%BB-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%90%E1%8D%8B%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%A8%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%8B%9A%E1%8A%A1-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8A%E1%8C%A1-\/6708609.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ዓፋር ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጂ 13 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ዓፈር ከባብታት ዓሳዒታን ሎግያን ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ጉድኣት ምውራዱ ተሓቢሩ። በቲ ሓያል ውሕጅ 13 ሰባት ምሟቶምን ልዕሊ 42 ሺሕ ነበርቲ ካብ መነባብኦም ምዝንባሎምን ቤት ጽሕፈት ሕርሻን ጥሪትን`ቲ ክልል ኣፍሊጡ`ሎ። እቶም ተመዛበልቲ ዛጊት ዝተገብረሎም ረድኤት ከምዘየለ ብምግላጽ ቅልጡፍ ሓገዝ ክግበረሎም ተማሕጺኖም ኣለዉ። ድምጺ ኣመሪካ ካብ ሰበ-ስልጣን ምክልኻል ሓደጋን ውሕስነት መግብን ምላሽ ንምርካብ ኣብ ምስራሕ ይርከብ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B-%E1%8B%8D%E1%88%95%E1%8C%82-13-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6708629.html"} {"headline":"ፍርቂ ካብ ህዝቢ ክልል ትግራይ ኣብ ስእነት መግቢ ከምዝወደቐ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዘውጽኦ ጸብጻብ የመልክት","content":"ብሰንኪ`ቲ ንዳርጋ ክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ግጭት፡ ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ስእነት መግቢ ከምዝወደቐ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ። ትካላት ረድኤት ድማ ብሰንኪ ዘጋጥመን ዘሎ ሕጽረት ነዳዲ ናብ ገጠራት ክበጽሓ ይጽገማ ከም ዘለዋ እቲ ትካል ይገልጽ። ሽሕ`ኳ ድሕሪ ፈደራል መንግስቲ ዝወሰዶ በይናዊ ምቁራጽ ተኹሲ፡ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ከኣቱ እንተጀመረ፡ ቁጽሪ እኹል መግቢ ዘይረኽቡ ግን ሰማይ ከም ዝዓረገን እናኸፋአ ክኸይድ ትጽቢት ከምዝግበርን ሕቡራት ሃገራት ዝሃቦ ገምጋም የመልክት። ቅድሚ ሓደ ዓመት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ካብ ክልል ትግራይ ድሕሪ ምውጽኡ፡ እታ 5.5 ሚልዮን ህዝቢ ኣለዋ ትብሃል ክልል ብዘይ ስርዓት ባንክታትን መራኸቢታትን ከምዝተረፈትን ሰባት መግቢ ንምግዛእ ከምዝተጸገሙን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ይገልጽ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ መግለጺኡ፡ ጥምየት እናኸፍአ፡ እኹል መግቢ ዘይምርካብ እናነሃረ፡ እቲ ኩነታት ድማ ክሳብ እዋን ዓጺድ ወርሒ ጥቅምቲ እናኸፍአ ክኸይድ`ዩ ይብል። ፍርቂ ነብሰ ጾራት ኮና ዘጥብዋ፡ ብትሑት ምግብና ዝሳቐያ ምዃነን ከምኡ`ውን ሓደ ሲሶ ትሕቲ 5-ዓመት ህጻናት ናብ ሞት ኣብ ዘብጽሕ ምምሳን ከምዝርከቡ እቲ ሪፖርት የመልክት። ብኻልእ ወገን፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብዛዕባ ናብ ክልል ትግራይ ዝኣተወ ነዳዲ ክጠቅስ ከሎ፡ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ፡ 1,750,000 ሊትሮ ነዳዲ ከም ዝኣተወ፡ እዚ ግን ካብ ዘድሊ ትሕቲ 20 ሚእታዊት ምዃኑ ኣፍሊጡ`ሎ። ኣብቲ ጎረቤት ዝኾነ በቲ ኩናት ዝተሃስየ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን`ውን፡ ኣስታት 13 ሚልየን ሰባት ሓገዝ መግቢ ከምዘድልዮም፡ እቲ ቁጽሪ ድማ ካብ ዝሓለፈ ጥሪ ጀሚሩ ብ44 ሚእታዊት ከምዝወሰኸ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብቲ ጸብጻቡ ኣመልኪቱ`ሎ። ነዚ ጸብጻብ ዘወሃሃደ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብዛዕባ ኩነታት ምብጻሕ ረድኤት ካብ ሚንስተር ኮሚንኬሽን ኢትዮጵያ ዶ\/ር ለገሰ ቱሉ ርእይቶ ንምርካብ ፈቲኑ ከምዘይተዓወተ ጠቒሱ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%8A%A5%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%8B%B0%E1%89%90-%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%8B%98%E1%8B%8D%E1%8C%BD%E1%8A%A6-%E1%8C%B8%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%89%A5-%E1%8B%A8%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%AD%E1%89%B5\/6708655.html"} {"headline":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ጉዳይ ተመዛበልቲ ብቐረባ ይከታተሎ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ","content":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ካብ ክልል ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ ክልል ኣምሓራ ከባቢ ወሎ ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ጃራን ጃሬን ዝነብሩ ሰባት ንኣተሓሕዘኦም ዝምልከት ምርመራ ይገብር ምህላው ኣብዘውፀኦ መግለፂ ኣፍሊጡ። ኣብቲ መግለፂ ዝተጠቐሱ ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ዶ\/ር ዳንኤል በቀለ፣ እቲ ኮሚሽን ኣብዚ ጉዳይ ካብ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራውን ኣካላት ፀጥታን ይእክቦ ንዘሎ ሓበሬታ ዘካተተ ፀብፃብ ኣብ ቀረባ እዋን ወግዓዊ ከምዝገብር ተዛሪቦም። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ እቶም ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ መዓስከራት ሰመራን ኣጋቲናን ንዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ተታሒዞም ዝፀንሑ ተወለድቲ ትግራይ ናብ መረበቶም ክምለሱ ምጅማሮም እውን ኣብ መግለፂኡ ንኢዱ። እቲ ኮሚሽን ነቲ ጉዳይ ይከታተሎ ከምዝነበረ ዝጠቐሱ ዋና ኮሚሽነር ዶ\/ር ዳንኤል: እቶም ተመለስቲ ኣገልግሎት ባንኪ ክጥቀሙ ምፍቃዱን ካልኦት ሰብኣዊ ሓገዛት ምርካቦምን ብኣዎንታ ከም ዝርአ እቲ መግለፂ ይጠቅስ። እቲ ንኣተሓሕዘኦም ዝግበር ክትትል ግን ሕዚ'ውን ይቕፅል ከምዘሎ ወ\/ሮ ሰላማዊት ግርማይ ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪበን። ብዝሒ እቶም ተመለስቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት 9-ሽሕ ክብሎ እንከሎ፡ ክልል ዓፋር ድማ 7,800 እዮም ይብል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%89%A5%E1%89%90%E1%88%A8%E1%89%A3-%E1%8B%AD%E1%8A%A8%E1%89%B3%E1%89%B0%E1%88%8E-%E1%8A%A8%E1%88%9D-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6708498.html"} {"headline":"መረረ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ንዋሕዲ ሓገዝ ንትግራይን ምላሽ መንግስቲ ኢትዮጵያን","content":"ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም “ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብዛዕባ ትግራይ ዝዛረብ መራሒ ሃገር ዘይምስማዖም ንኣድልዎ ሕብሪ ቆርበት ዘርኢ’ዩ:” ክብሉ መረረኦም ገሊጾም። ወሃቢት-ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ድማ ንመግለጺ እቶም ዋና ዳይረክተር “ዘይሓላፍነታዊ” ክብላ መሊሰን ኣለዋ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%A8%E1%88%A8-%E1%8B%B3%E1%8B%AD%E1%88%AC%E1%8A%AD%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%8A%95%E1%8B%8B%E1%88%95%E1%8B%B2-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%95%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%BD-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95\/6706820.html"} {"headline":"ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ደደቢት ደብዳብ ከቢድ ብረት ኣካይዱ ክብል ክልል ትግራይ ይኸስስ","content":"'ወታሃደራዊ ኮማንድ ፖስት ትግራይ' ብምባል ካብ መቐለ ዝወጸ መግለጺ ትማሊ ረቡዕ ብወገን ደደቢት ናይ ሓደ ሰዓት ዝኸውን ደብዳብ ከቢድ ብረት ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ከም ዝተኻየደ ይሕብር። ነቲ ዝወጸ መግለጺ ኣመልኪቱ መብርሂ ንድምጺ ኣመሪካ ዝሃበ ኣባል ኣመራርሓ ዝምድናታት ክልል ትግራይ ፕሮፈሰር ክንደያ ገብረህይወት'ዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ጸሓፊት ፕረስ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ቢልለኔ ስዩም ነቲ ጉዳይ ኣመልኪተን ኣብ ናይ ሎሚ ሓሙስ ጋዜጣዊ መግለጺ “እቲ ተግባር ብወገን ትግራይ ኣንጻር ንሰላም ዘይምቕባል ዝግበር ዘሎ ምስምስ’ዩ” ክብላ ገሊጸንኦ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2-%E1%8B%B0%E1%8B%B0%E1%89%A2%E1%89%B5-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%A2%E1%8B%B5-%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%AD%E1%8A%A8%E1%88%B5%E1%88%B5-\/6706873.html"} {"headline":"ቤት ጽሕፈት ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝጠመተ መግለጺ ሂቡ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ተቛሪጹ ዘሎ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ዳግማይ ንምጅማር ዝክኣል ከሰርሕ ዝኽእል ኩነታት ምስ ዝፍጠር'ዩ ክብል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ኣፍሊጡ። ኣብቲ ሓላፊት ፕረስ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ቢልለኔ ስዩም ሎሚ ንናይ ወጻኢ ሃገራት ጋዜጠኛታት ዝሃበቶ መግለጺ፡ እቲ ምጅማር መሰረታዊ ኣገልግሎት ካብ ማእከል ትዓጽዎን ትኸፍቶን ዘይኮነስ ናይ ባዕሉ ኣካይዳ ኣለዎ ኢላ። መንግስቲ ናይ ሰላም ድልየት የብሉን ዝበለ ወሃቢቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ ስራዊት ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ግንባራት ትኹተኻ ይፍጽም ኣሎ ኢሉ። 'ካብ ትግራይ ወተሃደራዊ ኮማንድ ፖስት' ብዝብል ካብ መቐለ ዝወጸ ካልእ መግለጺ ብወገኑ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንውሳነ ምቁራጽ ተኹሲ ጥሒሱ ደብዳብ ከቢድ ብረት አካይዱ ክብል ከሲሱ`ሎ። ኣቶ ጌታቸው ኣብ ትዊተር ዘስፈርዎ ጽሑፍ ፈደራል መንግስቲ ንሰላም ድልየት የብሉን ክብሉ ነቒፎም ኣለው።ንሶም ወሲኾም \"ምዕራብ ትግራይ ናጻ ንምውጻእን ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናብ ቦትኦም ንምምላስን ሓይሊ ብሕታዊ ኣማራጺ ከምዝኸውን ይግብሩ ከምዘለዉ ተገንዚብና ኣለና\" ኢሎም። ሓላፊት ፕረስ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ቢልለኔ ስዩም ግን ነቲ ክሲ ብምንጻግ፡ እዚ ዝስማዕ ዘሎ ካብ ሰላማዊ ኣካይዳ ካብ ምህዳም ተፈልዩ ዝርኣይ ኣይኮነን ኢላ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ሰላም ዓቢይ ኮሚቴ ዝበሎ ጉጅለ ኣፍሊጡ`ሎ። ኣብ ዝኾነ ግዜን ቦታን ዘተ-ሰላም ንምክያድ ድሉው ምኻኑ`ውን ሓቢሩ`ሎ። ህወሓት ክሳብ ሕጂ ጉጅለ ተላዘብቱ'ውን ወግዓዊ ኣይገበረን። ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ህወሓት ልክዕ ከም መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ጉጅለ ተላዘብቱ ወግዓዊ ክገብር ኣተሓሳሲቡ ኔሩ`ዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8C%BD%E1%88%95%E1%8D%88%E1%89%B5-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8C%A0%E1%88%98%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%82%E1%89%A1\/6706911.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ውዕል ምቑራጽ ተጻብኦን ፖለቲካዊ ፍታሕን መሰረት ዘንጽፍ ሓሳብ ምጽዳቑ ኣፍሊጡ","content":"ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቖመ ናይ ሰላም ኣማራጺ ዓቢይ ኮሚቴ፡ ናብ ውዕል ምቁራጽ ተኹሲ ከብጽሕ ዝኽእልን ንቀጻሊ ፖለቲካዊ ልዝብ መሰረት ከንጽፍ ዝኽእልን ናይ ሰላም ሓሳብ ምጽዳቑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ ኮሚቴ ነቲ እማምኡ ብዝምልከት ንማሕበረሰብ ዓለም መብርሂ ምሃቡ`ውን ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝወጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ`ሎ። ነቲ መግለጺ ተኸቲሉ ብትዊተር ምላሽ ዝሃበ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ንሓይልታትና ኣብ ዝትኹትኹሉ ዘለዉ እዋን፡ እቲ ናይ ሰላም ኮሚቴ ዝብሃል ኣካል ንማሕበረሰብ ዓለም ንምግጋይ ዝተለምደ ናይ መደናገሪ ጸወታ`ዩ ክብል ምላሽ ሂቡ። እቲ ናብ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ከብጽሕ ዝተባህለ ሰነድ ኣብ ውሽጡ ዝሓዞ ነጥብታት ኣይተገልጸን፡ እንተኾነ፡ ኣብ ዝቕልጠፈ እዋን ናብ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ከም ዘቕርብ እቲ ኮሚቴ ኣፍሊጡ`ሎ። ይኹን`ምበር ኣብ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ እምነት ከምዘይብሉ ዝገልጽ ህወሓት፡ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብተወሳኺ ዝተፈላልዩ ዓለምለኸ ኣካላት`ውን ኣብቲ ዘተ ክሳተፋ ከዝደልይ ክገልጽ ጸኒሑ'ዩ መንግስቲ ድማ ነዚ ይነጽግ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8B%8D%E1%8B%95%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%89%91%E1%88%AB%E1%8C%BD-%E1%89%B0%E1%8C%BB%E1%89%A5%E1%8A%A6%E1%8A%95-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%88%95%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%8A%95%E1%8C%BD%E1%8D%8D-%E1%88%93%E1%88%B3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8C%BD%E1%8B%B3%E1%89%91-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6706950.html"} {"headline":"ደባይ ተዋጋእቲ ኢትዮጵያ ንሰብኣዊ ተበጻሕነት ምቑራጽ ተኹሲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ክገብር ከምዝደልይ ኣፍሊጡ","content":"ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ብምባል ንገዛእ ርእሱ ዝጽውዕ ጉጅለ ደባይ ተዋጋእቲ፡ ንሰብኣዊ ተበጻሕነት ክብል ኣብ ክልል ኦሮምያ ውዕል ምቁራጽ ተኹሲ ክገብር ከምዝደሊ ኣፍሊጡ። እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ኣሸባሪ ጉጅለ ዝፍለጥ ውድብ፡ ነቲ ሓሳብ ዘቕርብ ዘሎ፡ እቲ ክልል ብሰንኪ ሕጽረት ዝናብ ተደጋጋሚ ደርቂ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን`ዩ። ብዛዕባ`ቲ እማመ፡ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊት ዝተዋህበ ምላሽ የለን። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ደርቂ ልዕሊ 20 ሚልየን ሰባት ሰብኣዊ ረድኤት የድልዮም ኢሉ`ሎ። ዝሓለፈ ሰንበት ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ንጠሚ ኣለና ዝብል ስእሊ ንምሃብ ስለዝደለዩ`ዩ ብዝብል ነቲ ሕቡራት ሃገራት ዝበሎ ካብ ዩክሬን እኽሊ ናብ ኢትዮጵያ ክነእቱ ዝብል ኣበሃህላ ዝነቐፎ ይመስል። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B0%E1%89%A3%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%8B%8B%E1%8C%8B%E1%8A%A5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%89%B0%E1%89%A0%E1%8C%BB%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%91%E1%88%AB%E1%8C%BD-%E1%89%B0%E1%8A%B9%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8A%AD%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%AD-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8B%B0%E1%88%8D%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6706971.html"} {"headline":"'ተስፋ ኣዲስ': ትካል መሐብሐቢ ሕሙማት ካንሰር ህጻናትን ኣዴታትን ኢትዮጵያ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 2015 ብዝተኣከበ መረዳእታ መሰረት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 150,000 ሕሙማት ካንሰር ይምዝገቡ ካብዚኣቶም እቶም 6,000 ህጻናት ከም ዝኾኑ ቢኤምሲ ዝተባህለ ናይ ሕክምና መጽሄት ዘውጽኦ ጽሑፍ ይሕብር። ይኹን ደኣ እምበር ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክረክቡ ናብ ዓበይቲ ከተማታት ዝውሕዙ ወለድን ህፃናትን ብወፃእታት መጉዓዝያ:መድሃኒት: መግብን መዕረፍን ይሳቀቐዩ። ነዚ ፀገም ንምፍታሕ 'ተስፋ ኣዲስ' ዝተባህለ ትካል መሐብሐቢ ሕሙማት ካንሰር ህጻናትን ኣዴታትን ኣብ ምስራሕ ይርከብ። ንኣካያዲት ስራሕ እቲ ትካልን ደቆም ኣብቲ መሐብሐቢ ኣገልግሎት ዝረክቡ ዘለዉ ስድራን ኣዘራሪብና ኣለና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%88%B5%E1%8D%8B-%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%88-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%88%90%E1%89%A5%E1%88%90%E1%89%A2-%E1%88%95%E1%88%99%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%88%AD-%E1%88%85%E1%8C%BB%E1%8A%93%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8B%B4%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/6705655.html"} {"headline":"ክልል ትግራይ: ስእነት መድሃኒት ኣብ ዝረኣየሉ ሓደስቲ ኣብያተ-መድሃኒት ምኽፋት ኣይገራጮን’ዶ?","content":"ተጻብኦታት ብወገን ፈደራላዊ መግንስቲን ክልል ትግራይ ካብ ዝቋረጽ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ዘቑጸረሉ ሕጂ እዋን ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ ዘሎ መድሃኒት ኣዝዩ ትሑት ምዃኑ ሰብ-መዚ ይዛረቡ። እዚ እናዀነ ግን ሓደስቲ ኣብያተ-መሃኒታት’ውን ክኽፈታ ይርኣያ ኣለዋ። ምኽንያት ናይዚ ተጻራሪ ዝመስል ተርእዮን ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ መድሃኒትን ብዝምልከት ንሓላፊ በዓል መዚ ቍፅፅር መድሃኒትን መግቢን ትግራይ ኣይተ ጠዓመ ዓረዶም ኣዘራሪብናዮም ኣለና። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%8A%A5%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%83%E1%8A%92%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%8A%A3%E1%8B%A8%E1%88%89-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AB%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%83%E1%8A%92%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%8D%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8C%AE%E1%8A%95-%E1%8B%B6-\/6705615.html"} {"headline":"ኣብ መዓስከራት ሰመራን ኣጋቲናን ዝነበሩ ተወላዶ ትግራይ ንገዛኦም ምምላስ ጀሚሮም","content":"ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ መዓስከራት ሰመራን ኣጋቲናን ዝነበሩ ተወለድቲ ትግራይ ናብ መረበቶም ክምለሱ ምጅማሩ መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ሓደጋን ውሕስና መግቢን ኣቶ መሓመድ ሑሴን ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል እቲ ከይዲ ምምላስ ትማሊ ዝተጀመረ ኮይኑ ኣብ ፈላማይ ጉዕዞ 358 ሰባት ናብ ኣብዓላ ምፍናዎም እቶም ካልኦት ድማ ካብ 10 ክሳብ 15 መዓልታት ኣብዘሎ ጊዜ ናብ መረበቶም ከምዝምለሱ ሓቢሮም። ካብ መንጎ እቶም ናብ መረበቶም ክምለሱ ዝዳለው ዘለው ሓንቲ እቶም ናይ መጀመሪያ ተጓዓዝቲ ትማሊ ብኣርባዕተ ኣውቶቡሳትን ክልተ ናይ ፅዕነት መኻይንን ናብ ኣብዓላ ከምዝተፋነውን ሎሚ ኣብ ኣፍዴራ ምብፀሖም ከምዘረጋገፀትን ገሊፃ ኣላ። እቲ ከይዲ ምምላስ ብኮሚቴታት ኣቢሉ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ምይይጥ ድሕሪ ምስላጡ ከምዝተጀመረ ዝሓበረት እታ ውልቀሰብ፣ ቅጥዒ እናመላእና ክንከይድ ንዳሎ ኣለና ክትብል ተዛሪባ። እንተኾነ ናብ ገዛና ምስ ተመለስና’ውን ንብረትና ብምልኡ በቲ ኲናት ስለ ዝዓነወን ዝተዘመተን ቀፃሊ ሓገዝ የድልየና እዩ ብምባል ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፃ። ብዛዕባ እዚ ዝተሓተቱ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ምክልኻል ሓደጋን ውሕስና መግብን ክልል ዓፋር ኣቶ መሓመድ ሑሴን ነቶም ተመለስቲ ዝግበር ሓገዝ ቀፃሊ ከምዝኾነ ሓቢሮም ኣለው። ንዕኣቶም ምሉእ ብምሉእ ንምጥያስ ግን ካብ ገበርቲ ሰናይ ሓገዝ ከምዘድልዮም ሓቢሮም ኣለው። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ምስ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ተተሓሒዙ ኣካላት ፀጥታ ክልል ዓፋር ንድሕንነቶምን ገበነኛታት ንምፍላይን ብዝብል ምኽንያት ካብ ሰለስተ ወረዳታት ዓፋር ንተወለድቲ ትግራይ ኣኪቡ ናብ መዓስከራት ሰመራ ከምዝወሰዶም ምዝራቡ ዝዝከር እዩ። እቲ ኮሚሽን ኣብቶም መዓስከራት ብዝገበሮ ክትትል ዝተፈላለዩ ዘተሓሳስቡ ፀገማት ከም ዝነበሩዎም’ውን ኣመልኪቱ ነይሩ። እቶም ንዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ መዓስከራት ተታሒዞም ዝፀንሑ ተወለድቲ ትግራይ ንገዛእ ርእሶም እሱራት ኢሎም ዝገለጹ ኾይኖም መንግስቲ ክልል ዓፋር ድማ እሱራት ዘይኮኑ ተመዛበልቲ እዮም፣ ናብዚ ዘምፃእናዮም'ውን ንድሕንነቶም ክንብል ኢና ይብል። ኣብቶም መዓስከራት ዝነበሩ ብዝሒ ተወላዶ ትግራይ 9-ሺሕ ከምዝግመት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት የኢትዮጵያ ይገልፅ። ክልል ዓፋር ብወገኑ ብዝሖም 7,800 ከምዝኾነ ምግላጹ ይዝከር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%B5%E1%8A%A8%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%98%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8C%8B%E1%89%B2%E1%8A%93%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B6-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%9B%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%B5-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%AE%E1%88%9D\/6705131.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ኣብ ዞባ ቦረና ብሰንኪ ደርቂ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ሓገዝ ከምዘይረኸቡ ይገልጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ቦረና ብሰንኪ ደርቂ ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ዜጋታት ሕጂ'ውን ደገፍ ከምዘይረኸቡ ገሊጾም። ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተመዛቢሎም ኣብ ወረዳ ዱቅሉቅ ዘለዉ ስድራቤታት መግቢ:ማይን ካልኦት ንጽሬት ዘድልዩ ቀረባት ከምዘይረኸቡ ገሊጾም: ኣብ ቀረባ ሓገዝ እንተዘይበጺሒዎም ንዝበኣሰ ጸገም ከምዝቃልዑ ተዛሪቦም'ለዉ። ቤት ጽሕፈት ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ እቲ ዞባ ብወገኑ ጉዳዮም ትኹረት ረኺቡ ጸገማቶም ንምፍታሕ ይስራሕ ኣሎ ኢሉ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%89%A6%E1%88%A8%E1%8A%93-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%8A%B8%E1%89%A1-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B9\/6705297.html"} {"headline":"ሓላፊ ትካል ሓገዝ ስግር ባሕሪ ኣመሪካ ጨንፈር ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ባህርዳር በጺሑ","content":"ትካል ሓገዝ ስግር ባሕሪ ኣመሪካ (USAID) ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ልዕሊ 430 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ንክልል ኣምሓራ ከምዘበርከተ ፣ ሎሚ’ውን ደገፉ ይቅጽሎ ከምዘሎ ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኢትዮጵያ ሽዋን ጆንስ ገሊጹ። ንሱ ነዚ ዝበለ ኣብ ከተማ ባህርዳር ይተኣናገድ ዘሎ ስልጠና ሰብ-ሞያ ምንካይ ሓደጋታት ኣብ ዘስመዖ መደረ ኮይኑ፣ ንምዕዋት’ቲ ስልጠና ኣመሪካ ተወሳኺ ሸሞንተ ሚልዮን ዶላር ከምዝለገሰት ሓቢሩ። ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት’ታ ሃገር ተፈናቂሎም ኣብ ባህርዳር ንዝርከቡ ሰባት ዝበጽሐ እቲ በዓል ስልጣን፣ እቲ ኣገዳሲ ነገር \"ንሰላም ነቅርቦ ጸሎት ክንቅጽለሉ ይግባእ\" ከምዝበለ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ከተማ ባህርዳር ዝላኣኸቶ ዜና ጠቂሱ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8A-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%88%B5%E1%8C%8D%E1%88%AD-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8C%A8%E1%8A%95%E1%8D%88%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%AD%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%89%A0%E1%8C%BA%E1%88%91\/6703806.html"} {"headline":"ስነ ኣእምሮኣዊ ሕማም ብሕልፊ ጸቕጢ ቅዛነትን ሕማም ጭንቀትን","content":"\"ሕማም ጸቕጢ ቅዛነትን (depression) ሕማም ጭንቀትን (anxiety) ኣእምሮ ሰብ ዘጥቕዑ ንብዙሐት ሰባት ዘሳቕዩን ሕማምት' እዮም ይብሉ ኣጋይሽና ዶ\/ር ቴድሮስ ኣማኑኤልን ዶ\/ር ኣለም ተስፋይን። ክልቲኦም ክኢላታት ሕማም ስነ አእምሮ \"ጸቕጢ ቅዛነት ወይ ጭንቀት ንዘጥቕዖም፣ ጸቕጢ ቅዛነት ኾነ ሕማም ጭንቀት ኣጥቂዕዎም ንዝፈልጡ ሰባትን ንቤተሰቦምን ክሕግዝ ይኽእል እዩ፡\" ዝበሉዎ ምኽሪታት፡ ለበዋታትን ምዕዶን’ውን ኣቕሪቦም ኣለዉ። ብዛዕባ ሕማም ጸቕጢ ቅዛነትን ሕማም ጭንቀት ብተደጋጋሚ ንዝቐርቡ መሰረታዊ ሕቶታትን ሕማም ከመይ ከም ዝሕከምን ከምዝፍወስን’ውን መልሲ ሂቦምና ኣለዉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%8A%A3%E1%8A%A5%E1%88%9D%E1%88%AE%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%95%E1%88%9B%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%88%95%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8C%B8%E1%89%85%E1%8C%A2-%E1%89%85%E1%8B%9B%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%95%E1%88%9B%E1%88%9D-%E1%8C%AD%E1%8A%95%E1%89%80%E1%89%B5%E1%8A%95\/6702627.html"} {"headline":"ዳግመ-ሰፈራ ማይ-ካድራ ፍሕፍሕ ይፈጥር","content":"ኣብ ማይ-ካድራ፡ ምዕራብ ትግራይ፡ ተወላዶ ኣምሓራ ንኽጣየሱን መሬት ክሕዙን ብላዕለዎት ሰብ-መዚ ክልል ኣምሓራ ይድፍኣሉ ከም ዘሎ ተወላዶ ትግራይ የመልክቱ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ እቲ ኣገባብ ቅኑዕ ከም ዘይኰነን ዘድሊ ምድራይ ክግበርሉን ጸዊዑ ኣሎ። ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ተወላዶ ትግራይ መሬቶም ገዲፎም ንኽወጹ ከም ዝተገደዱ ተወላዶ ትግራይ። ብመንግስቲ ዝተጣየሰ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ድማ ነቲ ጉዳይ ዘድሊ ምክትታል ከም ዝገብረሉ ኣመልኪቱ። ካብቲ ኮሚሽን ታሪኩ ጌታቸው “እዚ ዝብሃል ዘሎ ሓቂ እንተዀይኑ ኣዝዩ ኣሻቓሊ’ዩ። ኮሚሽንና ድማ ዘድሊ ምርመራ ክግበር’ዩ፡” ትብል። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሰብ-መዚ ክልል ኣምሓራ ንተወላዶ ኣምሓራ ናብቲ ቦታ ንኽመጹ ምትብባዕ ክገብሩ ጸኒሖም። እቲ ቦታ ንነዊሕ እዋን ኣካል ምምሕዳር ክልል ትግራይ’ዩ ጸኒሑ። ሰብ-መዚ ክልል ኣምሓራ ከም ዝጠቕሱዎ፡ ብሰንኪ ኣቐዲሙ ዝነበረ ብህወሓት ዝዕብለል መሪሕነት ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ተወላዶ ብሄረ ኣምሓራ መሬቶም ገዲፎም ንኽስደዱ ተገዲዶም’ዮም። ድምጺ ኣመሪካ ነዚ ኣሃዝ’ዚ ብናጻ ምንጪ ከረጋግጾ ኣይከኣለን። ሰብ-መዚ ክልል ኣምሓራ ሕጂ ክንደይ ዝኣኽሉ ዜጋታት ኣብ ማይ-ካድራ ከጣይሱ መደብ ሒዞም ከም ዘለዉ ኣይገለጹን። እንተዀነ እዚ ሓድሽ ናይ ሰፈራታት መደብ ካብ ተወላዶ ኣምሓራ ዝዀኑ’ሞ ኣብቲ ቦታ ዝጸንሑ ተቓውሞ ይጎንፎ ኣሎ። ሕቶኦም ኣብቶ ቦታ ንነዊሕ እዋን ከም ምጽናሖም መጠን እኹል ኣቓልቦን ሓገዝን ዘይምርካቦም’ዩ። ድምጺ ኣመሪካ ንድሕነት እቶም ኣካድቲ ሰልፊ ንምሕላው ብቐረባ ክስእል ኣይመረጸን። መንነቱ ክዕቅብ ዝሓተተ ሓደ ካብቶም ሰልፈኛታት ብዛዕባ’ቲ ጉዳዮም ኣመልኪቱ “ሎሚ ተቓውሞና ብግልጺ ከነስምዕ ነቒልና ኣሎና። ኣብ እዋን ጭፍጨፋ ኣብዚ ቦታ ዝነበርና ንሕና ኢና። መሬትና ክንሓርስን ከነልምዕን ኣይከኣልናን”ይብል። ማይ-ካድራ ኣብ ሕዳር 2020 ኣቓልቦ ማዕከናት-ዜና ስሒባ ነይራ። ኣብቲ እዋን ኣማኢት ተወላዶ ኣምሓራ ብተጋሩ ምቕታሎም ተመልኪቱ’ዩ። ንምውታን ንምቕባር ክሳብ ኤክስካቨተር መሳርሒ ከም ዘድለየ ኣብ እዋኑ ዝተዘርግሐ ዜና ይጠቅስ። ንዕኡ ስዒቡ ብኣምሓራ ተመሳሳሊ ጭፍጨፋ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ከም ዝተኻየደ ይሕበር። ነባሪ እታ ከተማን ተወላዲ ትግራይን ዝዀነ ኣታኽልቲ ሓጎስ ካሳ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ስለ ዝተዓቝበ ክድሕን ምኽኣሉ ይነግር። ካልኦት ዝበዝሑ ተጋሩ ግን ነቲ ማዕበል ፈሪሖም ምህዳሞም ይጠቅስ። “ኣብ ሓንቲ ለይቲ ዳርጋ ፍርቆም ተጋሩ ነዚ ዓዲ ሓዲጎም ሃዲሞም። ገሊኣቶም ንሱዳን ከይዶም። ካልኦት ድማ ናብ ጎንደርን ካልእ ኣከባቢን ነብሶም ንምድሓን ሃዲሞም። ዓቕሚ ዘለዎም ድማ ናብ ካልእ ውሑስ ስድራ ተሓቢኦም። ”ይብል። ኣመሓዳሪ ማይ-ካድራ ዝዀነ ቸሩ ሓጎስ ሕጂ ዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት ምምሕያሹ ይዛረብ። “እቶም ኣብ ቅትለት ዝተሳተፉ ወገናት ገበኖም ፈሊጦም ሃዲሞም’ዮም። እቶም ቀተልቲ ግን ሓደ መዓልቲ ፍርዶም ክረኽቡ’ዮም። ካብዚ ከተማ ንኽወጹ ዘገደዶም ኣካል የሎን። ግን እዚ መሬት ንዓቶም ከም ዘይምልከት ስለ ዘስተወዓሉ ክሃድሙ ተገዲዶም። ስለዚ ከኣ’ዮም ሰባት ቀቲሎምን ገበናት ፈጺሞምን ሃዲሞም ዘለዉ፡”ይብል። ኣብ መንጎ ተጋሩን ኣምሓሩን ምጥምማት ከም ዘየሎ ድማ ይገልጽ። ነቲ ብነባሮ ተወላዶ ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ሓደስቲ ተጣየስቲ ዝግበር ዘሎ ተቓውሞ ድማ ክንድቲ ግምት ኣይሃቦን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B3%E1%8C%8D%E1%88%98-%E1%88%B0%E1%8D%88%E1%88%AB-%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8A%AB%E1%8B%B5%E1%88%AB-%E1%8D%8D%E1%88%95%E1%8D%8D%E1%88%95-%E1%8B%AD%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%AD\/6702234.html"} {"headline":"ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀጥታዊ ርክብ ከም ዘይገበሩ የመልክት","content":"ኣማኻሪ ፕረዚደንት ክልል ትግራይን ወሃብ-ቃል ገዛኢ ሰልፊ ትግራይን ዝዀኑ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ መንጎ መሪሕነት ክልሎምን ፈደራላዊ መንግስቲን ቀጥታዊ ርክብ ተኻዪዱ ንዝብል ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ነጺጎምዎ። ኣይተ ጌታቸው ብትዊተር ኣብ ዝሃቡዎ ምላሽ ከምኡ ዝመስል ርክብ ፈጺሙ ዘይምክያዱ ብምሕባር ነቲ ጸብጻብ 'ስኑዕ ዜና' ክብሉ'ውን ገሊጾም። ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ነቲ ዜና ኣቐዲሙ ካብ ወግዓዊ ምንጪ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ምጽብጻቡ ጠቒሱ፡ ድሒሩ ኣብ ዝተኣረመ ግን ገለ ቃላት ብምቕያር ኣብ ትሕዝቶ መጠናዊ ለውጢ ከም ዝሃበ እቲ ኣገልግሎት ዜና ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ሓቢሩ። እቲ ኣገልግሎት ዜና ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ንቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሓቲቱ ምላሽ ዘይምርካቡ ጠቒሱ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%89%B0-%E1%8C%8C%E1%89%B3%E1%89%B8%E1%8B%8D-%E1%88%A8%E1%8B%B3-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%80%E1%8C%A5%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%88%AD%E1%8A%AD%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%88%9D-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%88%A9-%E1%8B%A8%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%AD%E1%89%B5\/6702171.html"} {"headline":"ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ተወላዶ ትግራይ ናብ ክልል ትግራይ ገንዘብ ምስዳድ ይጽገሙ ከምዘለው ይገልጹ","content":"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ተወላዶ ትግራይ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ናብ ዘለው ስድረኦም ስሩዕ ብዘይኮነ መንገዲ ገንዘብ ኣብ ዝሰድሉ እዋን ክሳብ 50% ዓስቢ ከምዝኸፍሉ ተዛሪቦም። እዚ ድማ ኣብ ናብረኦም ፅልዋ ምሕዳሩ ገሊፆም። እቲ ፀገም ዝተፈጠረ መንግስቲ መሰረታዊ ኣገልግሎት ብምዕፃው ስለዝኾነ፣ ነዞም ኣገልግሎታት ክኸፍቱ'ውን ፀዊዖም። ድምጺ ኣመሪካ ዘዛረቦም በዓል-ሞያ ዓውዲ ቁጠባ ብወገኖም መሰረታዊ ኣገልግሎታት ምዕፃው ንዓለምለኸ ስምምዕ ዝፃባእ እዩ ይብሉ። በዓል ሓዳርን ኣቦ ቖልዓን ከምዝኾነ ዝገልፅ ሚካኤል ደሳለኝ፣ ብሰንኪ እቲ ተነቢሩ ዘሎ ዕፅዋ በዓልቲ ቤቱ ካብ ክልል ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክትመፅእ ብዘይምኽኣላ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተፈላሊዮም ይነብሩ ምህላዎም ይዛረብ። ኣገልግሎት ባንኪ ስለዘየሎ ድማ ንስድርኡ ክሕግዝ ከምዘይከኣለ ይገልፅ። ካልኦት ወሃብቲ ርእይቶ'ውን ንስድራና ካብዘለና ብምክፋል ካብ ጥሜት ክንነድሕኖም ብዘይምኽኣልና ንሓዝን ይብሉ። እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ዕፅዋ ኣገልግሎት ባንኪ ነቲ ህዝቢ ናብ ዘይስሩዕ መንገዲ ከምዝደፈኦ በዓል-ሞያ ዓውዲ ቁጠባ ኣቶ ጠዓመ ባራኺ ይሕብሩ። እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ብሕጋዊ መንገዲ ንስድረኦም ገንዘብ ዝሰድሉ ዕድል ስለዘየሎ ክሳብ 50% ዓስቢ እናኸፈሉ ብዘይስሩዕ መንገዲ ብሰባት ኣቢሎም ገንዘብ ከምዝሰዱ: እቲ ዝሰድዎ ገንዘብ ኣብ መንገዲ ክተርፍ ከምዝኽእል፣ ውሕስና ከምዘይብሉ፣ ብእዋኑ ከምዘይበፅሕን፣ ምብፅሑ'ውን ዘረጋግፅሉ መንገዲ ከምዘየለን ይዛረቡ። ርእይቶ እቶም ገንዘብ ዘብጽሑ ሰባት ንምርካብ ዝተኻየደ ፈተነ ኣይሰለጠን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8B%98%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%A8%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B6-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8C%88%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8B%B3%E1%8B%B5-%E1%8B%AD%E1%8C%BD%E1%8C%88%E1%88%99-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B9\/6699395.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ህወሓትን ንፈለማ እዋን ምርኻቦም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣመልኪቱ","content":"ንዘተ ሰላም ፈደራላዊ መንግስቲን ብህወሓት ዝምራሕ ክልል ትግራይ ዝሽምግል ዘሎ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ትማሊ ሓሙስ ብወግዒ ከም ዝገበሮ፡ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልል ትግራይን ንፈለማ እዋን ቀጥታዊ ርክብ ኣካዪዶም ኢሉ። ብመሰረት እቲ ወጺኡ ዘሎ መግለጺ፡ ርክብ ክልቲኦም ወገናት ብ4 ነሓሰ ኢዩ ተኻዪዱ። ዛጊት ግን ንህዝቢ ግሉጽ ኣይጸንሐን። እቲ ዜና ኣገባባት ርክብን ኣብቲ ቀጥታዊ ርክብ ላዕለዎት መራሕቲ ዝተሳተፉ ኣካላት ብስም ኣይጠቐሰን። እንተዀነ ላዕለዎት መራሕቲ ክልቲኦም ወገናት ምዃኖም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣመልኪቱ። መግለጺ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ንኻልኦት መንግስታትን መሻርኽቲ ኣካላትን ኣብ ከይዲ ሰላም ኣበርኽቶ ክግበሩ ጸዊዑ ኣሎ። እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ብመሪሕነት ፕረዚደንት ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ ዝምራሕ ልኡኽ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ንረብሓ ኢትዮጵያን ነባሪ ሰላምን ዝሰርሕ ኣካል’ዩ ክብል ጠቒሱ። ኣቐዲሞም መራሕቲ ክልል ትግራይ ብኦሊሰገን ኦባሳንጆ ዝምራሕ ሽምግልና ዘይኰነስ ብኡሁሩ ኬንያታ ዝምእከል ርክብ ከም ዝቕበሉን ንኣመሪካን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ድማ ኣውሓስቲ ናይቲ ዘተ ክዀና ክጽውዕ ጸኒሑ’ዩ። ብኣንጻሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደጋጊሙ እቲ እንኮ መገዲ ዘተ ብኦባሳንጆ ዝምራሕን ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝምእከልን ጥራይ ምዃኑ ይምጕት። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8D%88%E1%88%88%E1%88%9B-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%BB%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%AA%E1%89%B1\/6699023.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ሳልሳይ እብረ ምምላእ ሓጽቢ ሕዳሴ ምዝዛማ ትሕብር","content":"ካብ ሓጽቢ ሕዳሴ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ምምንጫው ትማሊ ወግዓዊ ዝገበረት ኢትዮጵያ፡ ንሳልሳይ እብረ እቲ ሓጽቢ ምምላኣ’ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሓቢሮም። ብዛዕባ’ቲ ሳልሳይ እብረ ምምላእ ኣብ ቴለቪዥን ዝገለጹ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ “ፈለግ ኣባይ ኣምላኽ ንኢትዮጵያ ዝሃባ ህያብ’ዩ፡” ክብሉ ጠቒሶም። ደጋጊመን ቅሬታአን ከስምዓ ዝጸንሓ ግብጺን ሱዳንን በዚ ሓድሽ ዜና ዝያዳ ክቝጥዓን ኣብ መንጎ ዘሎ ዝምድና ድማ ክገድድ ከም ዝኽእልን ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ይጠቅስ። ተስዓን ሸውዓተን ሚእታዊት (97%) ማያ ካብ ፈለግ ኒል እትጥቀም ግብጺ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንሳልሳይ ምምላእ እቲ ሕጽቢ ዘለዋ ተቓውሞ ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣስሚዓ ነይራ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ግን በቲ ሳልሳይ እብረ ምምላእ ሱዳንን ግብጺን ከም ዘይጽለዋ ጠቒሶም ኣለው። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%B3%E1%88%8D%E1%88%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A5%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%8A%A5-%E1%88%93%E1%8C%BD%E1%89%A2-%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8B%9B%E1%88%9B-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%AD\/6699081.html"} {"headline":"ኤርትራ: ነዝዒ ደም ኣብ ሓንጎል ንምልላይ እተቃላጥፍ መሳርሒ","content":"ፊሊሞን መሓሪ፡ ኣሌክሳንደር ብርሃነ፡ ሃኒባል ገብረኣብ፡ ራሄል ኣብርሃም፡ ሳልዋ ነስረዲንን ዮሃንስ ሃብተስላሰን ዝተባህሉ ሽዱሽተ ተማሃሮ ምህንድስና ኮምፕዩተር ኢንስቲዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ (ማይ ነፍሒ)፡ ብምኽንያት ሓደጋን ካልእ ጥዕናዊ ሳዕቤናትን ንዘጋጥም ምፍሳስ ደም ኣብ ሓንጎል ንምልላይ እትሕግዝ ሶትዌር ኣማዕቢሎም። እዛ ሶፍትዌር ግዜ ኣብ ምቝጣብን ነቲ ሕማማት ኣብ ምልላይን ዝበለጸ ውጽኢት ከምዘለዋ ኣማዕበልታ ዝገልጹ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%90%E1%8B%9D%E1%8B%92-%E1%8B%B0%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%93%E1%8A%95%E1%8C%8E%E1%88%8D-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%8B%AD-%E1%8A%A5%E1%89%B0%E1%89%83%E1%88%8B%E1%8C%A5%E1%8D%8D-%E1%88%98%E1%88%B3%E1%88%AD%E1%88%92\/6697923.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህወሓት ንዝካየድ ልዝብ ብዘይካ ሕብረት ኣፍሪቃ ካልኦት ሸምግለቲ ከምዘይቕበል ኣፍሊጡ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህወሓት ንዝካየድ ልዝብ ብዘይካ ሕብረት ኣፍሪቃ ንካልኦት ሸምገልቲ ከምዘይቅበል ኣፍሊጡ። ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝወከሎም ልኡኽ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሌሴንጎ ኦባሳንጆ እምነት ከምዘይብሉ ዝገለጸ ህወሓት፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣመሪካ፣ ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት ዓለምለኸ ትካላትን ኣብ’ቲ ሽምግልና ንክሳተፉ ድልየቱ ከምዝኾነ ገሊጹ እዩ። ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር መለስ አለም ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ብዘይካ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ካልእ ሸምጋሊ ንምውሳኽ ዝካየድ ጻዕሪ ተቀባልነት ዘይብሉ እዩ ኢሎም። መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንውግእ ሰሜን ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክረክብን ንሰላማዊ ልዝብን ቆሪጹ ከምዘሎ ዝጠቀሱ እቶም ኣምባሳደር፣ ሕብረት ኣፍሪቃ በይኑ እዩ ዝሽምግለና ክብሉ'ውን ገሊጾም። ንክልል ትግራይ ዝመርሑ ፕረዚደንት ደብረጽየን ገ\/ሚካኤል ኣብ ዝቀረባ እዋን፣ ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳቤ ኣመሪካ፣ ሕ\/ሃ፣ ሕብረት ኣውሮጳን ሕቡራት ዓረብ ኢማራትን ዝመርሕዎ ልዝብ ኣብ ኬንያ ንክካየድ ከምዝጠለቡ ዝዝከር እዩ። ኣምባሳደር ኣለም ዶ\/ር ደብረጽየን ንዘቅረብዎ ሕቶ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣይቅበሎን’ዩ ኢሎም። እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ቅድሚ ክልተ መዓልታት \"መሰረታዊ ኣገልግሎታት ከይተማልኡ ናብ ልዝብ እተው ማለት፣ ኣእዳውና ተኣሲሩ፣ ህዝብና ብጥምየትን ኣብ ጸልማትን ከምኡ'ውን ኣብ ትሕቲ እገዳ ኮይንኩም ቀጽሉ ማለት’ዩ\" ዝብል መልእኽቲ ኣብ ትዊተር ጽሒፎም'ዮም። ኣምባሳደር ኣለም ብወገኖም \"ምጅማር ኣገልግሎት መንግስቲ ከም ቅድመ ኩነት ከምዘይወስዶ፣ ነገር ግና፣ ዘኽእሉ ኩነታት ምስተማልኡ፣ እቶም ኣገልግሎታት ንክጅምሩ፣ ድልየት መንግስቲ እዩ\" ከምዝበሉ ተፈሊጡ ኣሎ። ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ’ዚ ቀረባ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ግና መንግስቲ ኢትዮጵያን ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ህወሓትን ዝገብርዎ ልዝብ ሰላም፣ ብሕብረት ኣፍሪቃን፣ ብወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ንጉዳይ ቀንዲ ኣፍሪቃን ከምዝምራሕ ገሊጹ እዩ ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%88%8D%E1%8B%9D%E1%89%A5-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8A%BB-%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A6%E1%89%B5-%E1%88%B8%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%95%E1%89%A0%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6697699.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ካብ ካልኣይ ተርባይን ግድብ ህዳሴ ሓይሊ ጸዓት ምምንጫው ምጅማራ ሓቢራ","content":"375 ሜጋዋት ናይ ምምንጫው ዓቅሚ ዘለዎ ካልኣይ ተርባይን ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ሎሚ ስርሑ ከምዝጀመረ ተፈሊጡ። እቲ ካልኣይ ተርባይን ስርሑ ዘጀመሩ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እቲ ግድብ ዝርከበሉ ደረጃ፣ ምዕባለ ኢትዮጵያ ዓጋቲ ከምዘይብሉ ሓባሪ እዩ ኢሎም። ጽውጽዋይ ዝነበረ ግድብ ህዳሴ ናብ ክውንነት ምልዋጡ ዘኹርዕ እዩ ዝበሉ እቶም ቀ\/ሚ፣ ንኩሎም ኢትዮጵያዊያን እንኳዕ ኣሓጎሰኩም ኢሎም። ንሶም ወሲኾም ሱዳንን ግብጽን፣ ካብ ልዝብ ወጻኢ ዝወስድዎ ዝበልዎ ካልኦት ኣማራጺታት ከምዘየዋጸአን ተረዲኤን፣ ናብ ልዝብ ንክዳለዋ’ውን ኣተሓሳሲቦም። ግብጺን ሱዳንን፣ እቲ ግድብ ዝተፈላለዩ ጉድኣታት ከስዕበልና እዩ ብምባል ተቓውሞኣን ከስምዓ ምጽንሓንን ግብጺ ንሳልሳይ ዙር ምምላእ እቲ ግድብ ዝቃወም መግለጺ ኣብ’ዚ ቀረባ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ\/ሃ ከምዝላኣኸት ይዝከር። እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ሳልሳይ ዙር ምምላእ እቲ ግድብ ይቅጽል ከምዘሎ ዝጠቀሱ ኣካያዲ ስራሕ’ቲ ግድብ ኢንጂነር ክፍሌ ሆሮ፣ ህንጸት’ቲ ግድብ ኣብ ውሽጢ ዝቅጽላ ክልተ ዓመታት ክዛዘም ምዃኑ'ውን ሓቢሮም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A3%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%8C%B8%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%8C%AB%E1%8B%8D-%E1%88%9D%E1%8C%85%E1%88%9B%E1%88%AB-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AB\/6697747.html"} {"headline":"ርእይቶ ተቓወምቲ ውድባት ክልል ትግራይ ኣብ ልዝብ ሰላም","content":"ንምብፃሕ ላዕለዋይ ጕጅለ ልኡኻት ኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን ናብ መቐለ ስዒቡ፡ ተቓወምቲ ውድባት ክልል ትግራይ ኣብ ከይዲ ሰላም ዘለዎም ተስፋን ቅሬታን ይገልፁ ኣለዉ። ካብ መቐለ ንሰለስተ ካብ ተቓወምቲ ውድባት ኣዘራሪብና ኣለና። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%88%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%9D%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D\/6696174.html"} {"headline":"ዕጡቓት ነገድ ሙርሌ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ጋምቤላ መጥቓዕቲ ምፍጻሞም መንግስቲ'ቲ ክልል ሓቢሩ","content":"ካብ ደቡብ ሱዳን ዝብገሱ ዕጡቓት ነገድ ሙርሌ ብቕድሚ ትማሊ ሰኑይ ዶብ ሰጊሮም ብምእታው ኣብ ውሽጢ ክልል ጋምቤላ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኣኩጉ ብዝፈጸምዎ መጥቓዕቲ ክልተ ስደተኛታት ቀቲሎም ሓደ ሰብ ኣቁሲሎም ክብል መንግስቲ እቲ ክልል አፍሊጡ። ምኽትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ክልል ጋምቤላ አቶ ኡቶው ኡኮት ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ካብ ደቡብ ሱዳን ግዝኣት ቡማ ዝመጹ ዕጡቓት ክልተ ቆልዑ'ውን ጨውዮም ወሲዶም'ዮም ድሕሪ ምባል ቅድሚ ሎሚ ተመሳሳሊ መጥቃዕታት ክፍጽሙ ጸኒሖም እዮም ኢሎም። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ካብ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኾነ እቶም ዕጡቃት ዝተሰምዔ ነገር የለን። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ግን ብኣፈ-ጉባኤ ኢትዮጵያ አቶ ታገሰ ጫፎ ዝተመረሐ ጉጅለ ልኡኻት ምስ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ብዛዕባ መጥቃዕታት ዕጡቓት ሙርሌ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ጸጥታ ዶብ ክልቲኣትን ሃገራት ምዝርራቡ ይዝከር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%8A%90%E1%8C%88%E1%8B%B5-%E1%88%99%E1%88%AD%E1%88%8C-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%B5%E1%8A%A8%E1%88%AD-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8C%8B%E1%88%9D%E1%89%A4%E1%88%8B-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%8C%BB%E1%88%9E%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6696016.html"} {"headline":"ብሄራዊ ፓርክ ቃፍታ ሸራሮ በሰንኪ ኲናት ከቢድ ጉድኣት ከም ዘጋጠሞ ተሓቢሩ","content":"ብሄራዊ ፓርክ ቃፍታ ሸራሮ ብሰንኪ ኲናት ከቢድ ጉድኣት ከምዘጋጠሞ ናይ ኢትዮጵያ በዓል ስልጣን ሓለዋ እንስሳት ዘገዳም ኣፍሊጡ። ብሄራዊ ፓርክ ቃፍታ ሸራሮ ንሓለዋ ሓርማዝ ተባሂሉ ዝተሓጸረ ኮይኑ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ክልል ትግራይ ኲናት ምስ ተወለዐ ናይቲ ፓርክ ሓለዋ ስለ ዝተቛረፀ ኣብ ልዕሊ ንብረት፡ ሃብቲን፡ ትሕተ-ቅርጽን እቲ ፓርክ ከቢድ ዕንወት ከምዝተፈፀመ ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን ሓለዋ እንስሳት ዘገዳም ኣቶ ናቃቸው ብርሌው ገሊፆም። ቅድም ክብል እቲ ፓርክ ብደረጃ ሃገር ብሃብቲ ዓጋዘን ኣብ መበል ካልኣይ ደረጃ ይስራዕ ከምዝነበረ ዝገለፁ ሓላፊ ብሄራዊ ፓርክ ቃፍታ ሸራሮ ኣቶ ታጠቅ ሻውል፡ ነቲ ኲናት ስዒቡ ብዝተፈፀመ ዘይሕጋዊ ሃደን ግን ዓጋዘን ምርኣይ ኣብ ዘይከኣለሉ ደረጃ ምብፅሑ ይሕብሩ። ንሃብቲ ተፈጥሮ ካብ ፖለቲካ ፈሊኻ ብዘይምርኣይ እዚ ናይ ወያነ ፓርክ እዩ እናተባህለ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ንዓጋዘን ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ እንስሳት ዘገዳም ከም ዝሃለቑ ኣቶ ታጠቅ ሻውል ገሊፆም። እቲ ዝግበር ዝነበረ ሓለዋ ብምቍራፁን እቲ ሕዛእቲ ንመጓስነት ብምግልጋሉን እቶም ካብ ሃደን ዝተረፉ እንስሳት ዘገዳም ናብ ካልእ ከባቢ ከም ዝተሰደዱ ሓቢሮም። ብዘይካ'ዚ ኣብቲ ፓርክ ይፍፀሙ ዘለው ጨፍጫፍ ኣግራብ፡ ኳዕቲ ማዕድን፡ ምግፋሕ ሕርሻን ምፍራይ ከሰልን ነቲ ፓርክ ፈተና ከም ዝኾኑን ተገሊፁ። በቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይምርግጋእ ዝተፀለወ ፓርክ ቃፍታ ሸራሮ ጥራሕ ከምዘይኮነ ዝገለፁ ኣቶ ናቃቸው ብርሌው፣ ካልኦት ፓርክታት ብፍላይ ድማ መዕቖቢ ሓራምዝ ባቢሌ ጉድኣት ከምዝበፅሖ ኣብሪሆም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%84%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%8A%AD-%E1%89%83%E1%8D%8D%E1%89%B3-%E1%88%B8%E1%88%AB%E1%88%AE-%E1%89%A0%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%89%A2%E1%8B%B5-%E1%8C%89%E1%8B%B5%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%9E-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6695870.html"} {"headline":"ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ተወከልቲ ሕ\/ኣፍሪቃ ምዝርራቦም ኤምባሲ ኣመሪካ ገሊጹ","content":"ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ኢትዮጵያን እቲ ዞባን ዕድላትን ፃዕርታትን ሰላም ንምስጓም ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ተወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ምዝርራቦም ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ። እቲ መግለጺ ወሲኹ ኣምባሳደር ሃመርን ፈፃሚት ጉዳይ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ትረሲ ጃኮብሰንን ምስ ኣባላት ማሕበረሰብ ዲፕሎማሲ ብምዃን ኣብ ከተማ መቐለ ፈላማይ ዑደት ብምፍፃም ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ኣብ ትሕቲ ፅላል ሕብረት ኣፍሪቃ ዝርርብ ክጅመርን ኩሎም ካብ ፀርፍን መደረ ፅልእን ክዕቀቡን ምትብባዖም ይገልፅ።ንፃዕርታት ሰብኣዊ ረድኤትን ዝተርኣየ ምምሕያሽ ምዕዛቦምን ምቕራብ ነዳዲ ኣብ ዓፋር፣ኣምሓራን ትግራይን ሓገዝ ክበፅሕ ዘኽእል ምዃኑ ምሕባሮም ይገልፅ። ኣመሪካ ንጥዕና፣ልምዓትን ሰብኣዊ ሓገዝን ዝውዕል ኣብ 2021 ኣስታት 1.3 ቢሊዮን ዶላር ረድኤት ንኢትዮጵያ ሂባ እያ።ኣብ ቀረባ ድማ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ዝውዕል ተወሳኺ 488 ሚሊዮን ዶላር ረድኤት ወፍዩ ኣሎ። እቲ መግለፂ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ንኽልተ ሰሙን ዘካየድዎ ፅምዶ ኣመሪካ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምሕዝነትን ሕብረት ኣፍሪቃ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምስጓም ዝገብሮም ፃዕርታት ምድጋፋ ዘንፀባርቕን እዩ ይብል ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%8D%E1%88%89%E1%8B%AD-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%8A%A8%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%88%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%88%AB%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%8A%A4%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9-\/6694806.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣስታት 3-ሽሕ ዕጡቓት ኣብ ቐይዲ ምእታው ይገልጽ","content":"ኣምቦ — መንግስቲ ኢትዮጵያ 3,180 አባላት እሸኔእ ክብል ዝጽውዖ ንገዛእ ርእሱ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታው ኢዶም ዘይሃቡ ድማ ምድምሳሱ ኣፍሊጡ። ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ደሕንነትእታ ሃገር ሎሚ ቅነ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓእቲ ሸኔ ኢሉ ዝጽውዖ ንገዛእ ርእሱ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ዕጡቕ ጉጅለ ዝዓለመ ስጉምቲ ኵሰድ ምውሳኑ ምኽትል ሓላፊ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢረን። ንሰን ኣብ ሞያሌ ኸኣ ምኽትል ኣዛዚ ደቡብ እዚ ዕጡቕ ጉጅለ ምትሓዙ ወሲኸን ሓቢረን። ዓለምለኸ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኦዳ ተርቢ ብወገኑ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓታትና ስጉምቲ ክወሰድ ከም ዝወጠነ ሓበሬታ በጺሑና ኔሩ፣ መንግስቲ ዝሓዞ ሓይሊ ኾነ ስጉምቲ ዝተወሰዶ ኣባል ሰራዊት ናጽነት ግን ኦሮሞ የለን ኢሉእሎ ።​ ዳዊት ገልሞ ጥለብ ምንያ ኣፈወርቂ ጥለብ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-3-%E1%88%BD%E1%88%95-%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%90%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8D-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%BD-\/6694831.html"} {"headline":"ስርሓት ማሕበር ልምዓት ትግራይ","content":"ማሕበር ልምዓት ትግራይ፡ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ፡ ኣብ በበይኑ መድረኻት ንሕብረተሰብ ክልል ትግራይ ሓገዛት ክገብር ጸኒሑን ኣሎን። እዚ ማሕበር፡ ምስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ንዂናት ስዒቡ ዝመጸ ዕጽዋን ካልእ ስእነት መሰረታዊ ቀረባትን’ውን ኣብ ምቅላል’ውን ፍሉይ መደባት ሓንጺጹ ይሰርሕ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%88%8D%E1%88%9D%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/6693190.html"} {"headline":"ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ንሓረስቶት ክልል ትግራይ ዘመናዊ ዱኽዒ ምክፍፋሉ ሓቢሩ","content":"ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ብግጭት ዝተጠቕዑ ሓረስቶት ኣፍራይነት ሕርሻ ንምዕባይ NPSን Ureaን ዝተባህሉ ዓይነታት ዘመናዊ ድኹዒ ን20,000 መራሕቲ ስድራ ከምዘከፋፈለ ኣፍሊጡ። ብመሰረት እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል ብቲዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ እዚ ዘመናዊ ድኽዒ ኣብ ሰነ ዝተኸፋፈለ ዘራእቲ ስዒቡ ኣብ ማእኸላይ፣ምብራቓዊን ደቡባዊን ዞባታት'ቲ ክልል ምክፍፋሉ ገሊጹ ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B4-%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%88%95-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%89%80%E1%88%8D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%93%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%89%B6%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%88%98%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%8B%B1%E1%8A%BD%E1%8B%92-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%8D%8B%E1%88%89-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6693096.html"} {"headline":"ተስፋታትን ስክፍታታትን ኣብ ከይዲ ሰላም ኢትዮጵያ","content":"ተኽእሎ ዘተ ሰላም ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲን ገዛኢ ፓርቲ ክልል ትግራይን ይሰላሰለሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ከይዲ ዘተ ሰላም ዘለዎም ትጽቢት፡ ተስፋን ስክፍታን ንኸካፍሉና ንክኢላ ሕጊን ንፖለቲካዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝከታተልን ብንጥፈት ዝሳተፍን ኣቶ ኢሳያስ ሃይለማርያም ካብ ክፍለ-ግዝኣት ካሊፎርኒያን ብዓል ሞያ ስነ ህንፃ(ኣርኪቴክት) ኤርምያስ አማረ: ቅድም ክብል ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ኣርክተክቸር ዝነበረን ኣብዚ ሕዚእዋን ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ሓደ ዓብይ ናይ ኮንስትራክሽን ኩባኒያ ዝሰርሕን ከምኡ'ውን ንፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝምልከቱ ዛዕባታት ኣብ ዝተፈላለዩ መርበብ ሓበሬታታትን ማሕበራዊ ሚዲያን ዝፅሕፍን ኣዘራሪብናዮም ኣለና። No media source currently available No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%88%B5%E1%8D%8B%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/6692736.html"} {"headline":"ግብረ መልሲ ዝተፈላለዩ ኣካላት ከይወጽእ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ዝተኸልከለ ሃይማኖታዊ መገልገሊ","content":"ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስን ካልኦት ብፁኣን ኣቦታትን ናብ ኣመሪካ ሒዞምዎም ክወፁ ተዳሊዮም ዝነበሩ ሃይማኖታዊ መገልገልታት፣ ሓድግታት ከምዘይኮኑ እናተፈለጠ ከየሓልፉ ምኽልካል ግቡእ ኣይኮነን ክትብል ቤተክርስቲያን ነቒፋ። በዓል መዚ መፅናዕትን ሓለዋን ሓድግታት ኢትዮጵያ ብወገኑ እቶም ሃይማኖታዊ መገልገልታት ሕጋዊ ኣሰራርሓ ብምኽታል ብቐሊሉ ክወፁ ይኽእሉ ነይሮም'ዮም ይብል። ቤት ፅሕፈት ጉምሩክ ጨንፈር ቦሌ ድማ እቶም ሃይማኖታዊ መገልገልታት ከየሓልፉ ኣይከልከልናን፣ ነዚ ዝገበረ ድሕንነት ኣቭየሽን እዩ ይብል። ግብረ መልሲ ኣይቭየሽን ግን ክንረኽብ ኣይክኣልናን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%8C%BD%E1%8A%A5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%AD%E1%8D%8E-%E1%8A%90%E1%8D%88%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%A8%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%88%88-%E1%88%83%E1%8B%AD%E1%88%9B%E1%8A%96%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%88%E1%88%8A\/6688821.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ላዕለዋይ ልኡኽ ዘተ-ሰላም ዘለዎ ቅሬታ ይገልጽ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍሉይ ልኡኽ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣመሪካን ካልኦት ኣምባሳድራት ሃገራት ኤውሮጳን መቐለ በጺሑ ድሕሪ ምምላሱ በቲ ዝተኸተሎ ኣገባብን ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺን ከም ዘይተሓጐሰ ኣማኻሪ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን ገሊጹ። ነቲ ጕጅለ ዘይዕበቱ ከም ዝገለጸሉ ዘመልከተ ናይ ትዊተር መልእኽቲ እቲ ኣማኻሪ ጸጥታ፡ እቲ ጕጅለ ኣብ ክንዲ ንዘተ ዘመልክት ጉዳያት ዘቐድም በቲ ክልል ዝተዋህቦ መልእኽቲ ተሰኪሙ መጺኡ ክብል ወቒሱ። ዝርዝር ናይቲ ዝጠቐሶ ዘይዕግበት ግን ኣብቲ ዝለጠፎ ሓጺር ናይ ትዊተር መልእኽቲ ኣየቐመጠን። እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ መግለጺኡ ዝጠቐሶ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዛት ድሮ ይስርሓሉ ምህላዉን መንግስቲ ድማ ንዕኡን እንኮላይ ሕቶ ነዳዲ እቲ ክልልን ምምላሱ ኣምባሳድር ሬድዋን ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽቱ ይገልጽ። እቲ ኣማኻሪ ጸጥታ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ እንኮን ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ዘይኣቱን ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝምእከል ዘተ ጥራይ ምዃኑ ኣስሚሩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ወጻኢ ክልል ትግራይ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ጉጅለ ድሕሪ ምምስጋኑ ዝተዛራረቡሉ ወሰንቲ ጉዳያት ዘርዚሩ። እቲ ክልል ንሰላም ዘለዎ ቅሩብነት ዝጠቐሰ መግለጺ፡ ግዜ ዘይህብ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ክፍቀድ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱን ንመሬት ክልል ትግራይ ሒዞም ዘለዉ ሓይልታት ክወጹን ዝብሉ ኣርእስታት ኣብቲ ዘተ ምልዓሎም ሓቢሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8B%E1%8B%AD-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8E-%E1%89%85%E1%88%AC%E1%89%B3-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%BD\/6688364.html"} {"headline":"ም\/ጸሓፊት ቤ\/ጽሕፈት ህዝቢን ስደተኛታትን ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ጋምቤላን ሰመራን በጺሓን","content":"ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ምክትል ጸሓፊት ቤት ጽሕፈት ህዝቢን ስደተኛታትን ኤልሳቤጥ ካምፕቤል፣ ኣብ ጋምቤላ፣ ሰመራን ኣዲስ ኣበባን ምብጻሕ ፈጺመን። ኣብ ጋምቤላ ምስ ምክትል ፕረዚደንት’ቲ ክልል ተዘራሪበን ንመዕቆቢ ስደተኛታት’ውን ተዓዚበን። ኣብ ሰመራ ምስ ከንቲባ’ታ ከተማ ተራኺበን፣ ኣብ ሰርዶ ናብ ዝርከብ መዓስከር ተፈናቀልቲ በጺሔን። ኣብ መወዳእታ መገሸአን፣ ትካል ስደተኛታት ሕ\/ሃ ንዳግመ ሰፈራ ቃለ መጠይቅ ዝገብረሉ ህንጻ በጺሓን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%8A%E1%89%B5-%E1%89%A4-%E1%8C%BD%E1%88%95%E1%8D%88%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8C%8B%E1%88%9D%E1%89%A4%E1%88%8B%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%88%98%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%89%A0%E1%8C%BA%E1%88%93%E1%8A%95\/6688725.html"} {"headline":"ተወላዶ ትግራይ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲታት ብሰንኪ ምዕጻው ዩኒቨርሲቲታት ኣብ ጸገም ምህላዎም ይገልጹ","content":"ተወላዶ ትግራይ ዝኾኑ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲታት ዝመሃሩሎም ዩኒቨርሲቲታት ንዕረፍቲ ስለዝተዓፀዉ ናብ ዝኸድዎ ብምስኣን ኣብ ፀገም ከምዝወደቑ ተዛሪቦም። እቶም ተማሃሮ ብምኽንያት ዕፅዋ መንገዲን ስእነት መጓዓዝያን ኣብ ክልል ትግራይ ናብዘለው ስድረኦም ክኸዱ ከምዘይከኣሉ ድማ ይገልፁ። እቶም ተማሃሮ ወሲኾም ሚንስትሪ ትምህርትን ዝምልከቶም ኣካላትን ካብቲ ዝርከብሉ ቦታ ከውጽእዎም ወይ ናብ ስድረኦም ክወስዱዎም ሓቲቶም ኣለው። ሚንስትሪ ትምህርቲ ብወገኑ እተን ዩኒቨርስቲታት ኣብ እዋን ዕረፍቲ ነቶም ተማሃሮ ኣገልግሎት ንምሃብ ዘኽእል በጀት ከምዘይብለን ብምሕባር፣ ናብ ክልል ትግራይ ምለሱና ንዝብል ሕቶኦም ግን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ከምዝዝትይሉ ገሊጹ'ሎ። እቶም ተማሃሮ ካብ ዝመሃሩለን ዩኒቨርሲቲታት ቅድሚ ምውጽኦም ንዝምልከቶም ሓለፍቲ ሓቲቶም ዝረኸብዎ ምላሽ ንዓኻትኹም ንምቕላብ በጀት የብልናን ዝብል ከምዝነበረ ሓቢሮም። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝተሓተተ ሚንስትሪ ትምህርቲ፣ ተማሃሮ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ክፀንሑ ዝኽእሉ ንዓሰርተ ኣዋርሕ ጥራይ ከምዝኾነ ብምግላጽ ካብዚ ዝተፈለየ ኣሰራርሓ ከምዘይብሉ ኣመልኪቱ።ሓላፊ ጉዳያት ምምሕዳር ሚንስትሪ ትምህርቲ ዝኾኑ ኣቶ ዓብዶ ናስር ነቶም ተማሃሮ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ክጸንሑ ምግባር ኣጸጋሚ እዩ ይብሉ። \"ብመሰረት እቲ ሕጊ ብስሩዕ ዝመሃሩ ተማሃሮ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ክፀንሑ ዝኽእልሉ ን10 ኣዋርሕ ጥራሕ እዩ።ነዞም ተማሃሮ ከነጽንሖም እንተበልና'ውን ዝኸውን ኣይኮነን፣ ናይ ክረምቲ ተማሃሮ ናብተን ዩኒቨርሲታት ዝኣትውሉ እዋን እዩ። ኣብ ዩኒቨርሲታት ትግራይ ዝመሃሩ ዝነበሩ ናይ ክረምቲ ተማሃሮ ናብ ኩለን ዩኒቨርሲታት ኢና ኣእቲናዮም። እዚ ኣብተን ዩኒቨርሲታት ጾር ወሲኹ እዩ።ናይ በጀት ዋሕዲ ስለዘሎ ዩኒቨርሲታትና ነዞም ተማሃሮ እዚኦም ዘጽንሕሉ ዓቕሚ የብለንን። ከም ዜጋ እተን ዩኒቨርሲታት ቦታ እንተለዎም እንተዝሕግዘኦም ፅቡቕ ነይሩ ኢለ እሓስብ።\" ብዝሓደሮም ስግኣት ናብ ዝተመደቡለን ዩኒቨርሲታት ዘይከዱ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ትምህርቲ ዘቋረፁ ተማሃሮ'ውን ኣለው። ካብኣቶም ሓደ ኣብ ፀገም ከምዘለውን ሚንስትሪ ትምህርቲ ፍታሕ ክህቦም ከምዘይከኣለን ይገልፅ። ኣቶ ዓብዶ ናስር ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ ክሳብ ሕጂ ነዚ ዝመስል ሕቶ ዘቕረበ አካል ከምዘይለ እንተኾነ እቲ ሚንስትሪ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ብግቡእ ዝምልሰሉ ኣሰራርሓ ከምዘለዎ ኣዘኻኺሮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B6-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%83%E1%88%AE-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%89%A8%E1%88%AD%E1%88%B2%E1%89%B2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%8C%BB%E1%8B%8D-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%89%A8%E1%88%AD%E1%88%B2%E1%89%B2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%B8%E1%8C%88%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B9\/6686832.html"} {"headline":"ሓድሽ ክልላዊ መንግስቲ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ 4 ዋና ከተማታት ከምዝህልውዎ ተገሊጹ","content":"ሓድሽ ክልላዊ መንግስቲ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ማዕረ ደረጃ ክህልወን እዩ ዝተባህለ ኣርባዕተ ዋና ከተማታት ከምዝህልዎ ቤት ምኽሪ'ቲ ክልል ኣፍሊጡ።በዚ መሰረት ካብ ዞባ ከፋ ከተማ ቦንጋ፣ካብ ዞባ ዳውሮ ከተማ ተርጫ፣ካብ ቤንች ሼክ ከተማ ሚዛን ኣማንን ካብ ዞባ ሻካ ድማ ከተማ ቴፒ ከምዝተመርፃ ዝወፀ መጣየሲ ኣዋጅ ይገልፅ። ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ክልል ደቡብ ብሄርን ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ዝርከቡ 10 ዞባታትን ሽዱሽተ ፍሉይ ወረዳታትን ብክልል ንምጥያስ ናብ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ሕቶ ምቕራቡ ይሕበር ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-4-%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%85%E1%88%8D%E1%8B%8D%E1%8B%8E-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6687127.html"} {"headline":"ፍቕሪን ኲናትን","content":"ማሞ ኣፈታ ወታሃደር ኢትዮጵያ ኰይኑ ኣብ እዋን ስርዓት ደርግ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ኲናት ተሳቲፉ። ኣብ ኲናት ተማሪኹ፣ ኣይጸንሐን ኣባል ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብምዃን ቃልሱ ክቕጽል ወሲኑ። ኣብቲ ቃልሲ ምስ ተጋዳሊት ህይወት ተስፋይ ተራኺቦምን ተፋቒሮምን። ነቲ ዝነበረ ኵሉ መሰናኽላት ሰጊሮም ሓዳር መስሪቶም፣ ሕጂ ምስ ደቆም ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ይቕመጡ ኣለዉ። ንርክቦም፡ ፍቕሮምን ካልእ ምስኡ ዝተኣሳሰር ጉዳያትን ኣጋይሽ ድምጺ ኣመሪካ ኰይኖም ኣለዉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%8D%E1%89%95%E1%88%AA%E1%8A%95-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5%E1%8A%95\/6685760.html"} {"headline":"ዘተ ሰላም ኢትዮጵያን ብገለ ወገናት ዝቐርቡ ዕንቅፋታትን","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ነቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝጀመረ ጎንፂ መዕለቢ ንምርኻብ ንዘተ ሰላም ይዳለዉ ኣለዉ። ብኻልእ ወገን እቲ ኲናት ሰፊሑ ኣብ ከተማ ኣብዓላ ብዘውረዶ ዕንወት ሚልሻን ነበርትን ንሰላም ድልዋት ምዃኖም እንተገለፁ እኳ ተንተንቲ ግና ብቀ፟ሊሉ ዝመፅእ ከምዘይኾነ ይገልፁ። ኣብዓላ በቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ኣብቲ ኸባቢ ዝተኻየደ ከቢድ ኲናት ዳርጋ ሙሉእ ብሙሉእ ዓንያ'ያ። ነበርቲ ከምዝበልዎ ሓይልታት ትግራይ አብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት እታ ከተማ ይትኩሱ ብምንባሮም:መብዛሕትኦም ነበርቲ እታ ከተማ ገዛውቶም ሓዲጎም ተሰዲዶም ዝፀንሑ ኮይኖም ሓይልታት ትግራይ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ካብቲ ኸባቢ ምውፀኦም ስዒቡ ድማ ውሑዳት ተመሊሶም ኣለው። ኣንፃር ህወሓት ክዋግኡ ንዝፀንሑ ሚልሻታት እቲ ኸባቢ ዝመርሑ ፋራስ ለኢሌ በቲ ኲናት ዝወረደ ዕንወት ኣዝዩ ዓብዪ ምዃኑ ይዛረቡ ። “ህዝቢ ጥምየት እምበር ኲናት አይፈርሕን። ኣብዚ እዋን ዝብላዕ የብሉን ፣ ዝዕድገሎም ሹቃ፟ት ኮኑ ዝኮነ ዓይነት ዕዳጋ የለን። ብዙሓት ናብ ከባቢኦም ዝተመልሱ ስድራ በቲ ዘሎ ጥምየት፣ ስእነት ትሕተ ቅርጺ እንታይ ክገብሩ ከምዝኽእሉ ብጭንቀት ተዋሒጦም ኣለዉ።” ዘይተተኮሱ ፈቐድኡ ዝርከቡ ነተጉቲ ድማ ካልእ ስግኣት ነበርቲ እዮም። ክልተ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ገዝኦም ዝረኸብዎም ነተጉቲ ንድምፂ ኣመሪካ ኣርእዮም። ብዙሓት አብ ከተማ ኣብዓላን ከባቢኣን ዝርከቡ ነበርቲ እቲ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዘሎ ምስሕሓባት ፖለቲካ ከምዘየገድሶምን ኩነታት ናብ ንቡር ክምለስ ጥራይ ዘለዎም ድልየት ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ክልቲኦም ወገናት ንዘተ ድልዋት ምዃኖምን 21 ኣዋርሕ ዘቑጸረ ውግእ ጠጠው ንምባል ምድላዎም ሓቢሮም እዮም። ኣብ ወርሒ ሰነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዛተይ ኮሚቴ አጣይሰ ክብል ከሎ ብወገን ትግራይ'ውን ተመሳሳሊ ነገር ተሰሚዑ። ይኹን ደኣ እምበር ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣምባሳደር ፍሰሃ አስገዶም ተሰማ ግን ኣብ ቀረባ ዘተ ክካየድ እዩ ዝብል ተስፋ ከምዘይብሎም ንድምፂ ኣመሪካ ገሊጾም። “ሎሚ ዘተ ክካየድ እዩ ዝብል ተስፋ አለኒ ኢለ ክዛረብ ይኸብደኒ እዩ ። ምኽንያቱ ኣብቲ እዋን በቶም ነቲ ዘተ ዘመዓራረዩ ኣካላት ከም ኣመሪካ ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦትን ኩሎም ዝተነግረና ኣብዝኾነ ደቃ፟ይቅ፟ መሰረታውያን ኣገልግሎታት ክጅምሩ ምዃኖም እዩ ። ንሕና ድማ መዓልታት ዘይኮነስ ሰዓታት ኢና ክንቆፅር ፀኒሕና ዝኮኑ ምንቅስቃ፟ሳት ክፍጠሩ ይኽእሉ ኢልና ፤ መንግስቲ ኣዲስ አበባ ግን ብኣንፃሩ ክኸይድ ዝወሰነ እዩ ዝመስል።” መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣገልግሎታት ቴሌኮም ፣ ባንኪ ፣ ምጉዕዓዝ ነዳዲን ሰብኣዊ ሓገዛትን ናብ ትግራይ ንኸይኣትዉ ከልኪሉ እዩ ። ተንተንቲ እውን መሰረታዊ አገልግሎታት እቲ ክልል ናብ ዝነበርዎ እንተዘይተመሊሶም ሰላማዊ ዘተ ዘይክቅ፟ፅል ይኽእል እዩ ኣብ ዝብል ይሰማምዑ ። ይኹን እምበር ዋላ ንሱ እዃ እንተተቓነዐ ካልኦት ዕንቅፋታት እውን ኣለዉ ይብሉ ። ብዝሒ ሰራዊት ክልል ትግራይን አንፃር መንግስቲ ኲናት ክኸፍት ዘእኽእል ዓቅሙን እቲ ሓደ ሙዃኑ ተንተንቲ ስግኣቶም ይገልፁ ። ዊልያም ደቪድሰን ኣባል ዓለምለኸ ጉጅለ ተንታኒ ቅልውላው \"ኣመራርሓ ክልል ትግራይ ወይውን ህዝቦም ይትረፍ ነቲ ሰራዊት ዕጥቁ ክፈትሕ መጠን እቲ ሰራዊት ምቅናስ ዝብል እውን ከምዝቅ፟በልዎ ግልፂ ኣይኮነን ብተመሳሳሊ መንግስቲ ፌደራል እውን ትግራይ ከምዚ ዓይነት ብዝሒን ናይ ምውጋእ ዓቅ፟ምን ዘለዎ ሓይሊ ሒዛ ኣካል ፈደረሽንን ፖለቲካዊ ስርዓትን ኢትዮጵያ ኮይና ሙሉእ ብሙሉእ ክትቅፅል ዘፍቅድ ሙዃኑ እውን ግልፂ አይኮነን።\" ህወሓት ካብ ኢትዮጵያ ተገንፂሉ ነፃ ሃገር ናይ ምምስራት ሓሳብ ከምዘለዎ ሓቢሩ ነይሩ እዩ ። ነዚ ብዝምልከት ተንታኒ ፖለቲካ ኪራም ታደሰ ቅኑዕ ኣማረፂ ከምዘይመስሎ ይሕብር።ንኤርትራ ከም ኣብነት ጠቂሱ ድማ ንሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ሓሊፋ ኣብዚ እዋን ዘላትሉ ኩነታት ዘቅ፟ስን አይኮነን ይብል ። ካልእ እቲ ሰሓቢ ከባቢ ምዕራብ ትግራይ መን ይቆፃፀሮ ዝብል ኣብቲ ዘተ እቲ ዝዓበየ ግደ ዝሕዝ ሙዃኑ ተንተንቲ ይገልፁ። መንግስቲ ኢትዮጵያ መብርሂ ክህብ ዝቀረብሉ ሕቶ ምላሹ ኣይሃብን ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8C%88%E1%88%88-%E1%8B%88%E1%8C%88%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%88%AD%E1%89%A1-%E1%8B%95%E1%8A%95%E1%89%95%E1%8D%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-\/6685684.html"} {"headline":"ውድብ ጥዕና ዓለም ንቀርኒ ኣፍሪቃ ሓገዝ ንምልጋስ 123.7 ሚልዮን ዶላር ሓቲቱ","content":"ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዘጋጠመ ጥምየትን ሕማምን ንዝተጠቕዑ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ህፁፅ ረድኤት ንምቕራብ 123.7 ሚሊዮን ዶላር ቕልጡፍ ሓገዝ ሓቲቱ። ብመሰረት ፀብፃብ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ልዕሊ 80 ሚሊዮን ሰባት ንዓሰርተታት ዓመታት ተራእዩ ዘይፍለጥ ደረጃ ጥምየት ኣጋጢሙዎም ኣሎ።ኣብ መላእ ሶማል፣ኢትዮጵያን ኬንያን ፍርቆም ህጻናት ዝኾኑ ኣስታት 20 ሚሊዮን ሰባት ድሮ ኣብ ጫፍ ዓፀቦ ከምዝርከቡ ኣጠንቂቑ ኣሎ። ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓጋዚ ምኽትል ዳይሬክተር ግብረ መልሲ ሓደጋ ኢብራሂም ሶክ ፎል እዚ ሕሱም ቅልውላው ውሕስነት መግቢ ኣብቲ ዞባ ቅልውላው ጥዕና እውን ኣስዒቡ ኣሎ ኢሎም።ሕፅረት ዝተመጣጠነ ኣመጋግባ: ለበዳ ሕማም በዲዶ ይውስኽ ምህላው ገሊጾም። ፎል ውድብ ጥዕና ዓለም ዘቕረቦ ምሕፅንታ ኣገልግሎት ጥዕና ንዝያዳ ዝተጎድኣ ሸውዓተ ሃገራት ጅቡቲ፣ኢትዮጵያ፣ኬንያ፣ሶማል፣ደቡብ ሱዳን፣ሱዳንን ኡጋንዳን ንምስፍሕፋሕ ክውዕል እዩ ኢሎምም። ንሶም ወሲኾም ኣብ ዩክሬን ኵናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ምጉዳል ፀጋታት ከምዘሎ ብምሕባር ዓለምለኸ ሓገዝቲ ኣብ ዩክሬን ንዘሎ ቅልውላው ብገንዘብ እናሓገዙ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰባት ብጥምየትን ሕማምን ህይወቶም ከይስእኑ ዘይከላኸሉ እንተኾይኖም ንሕልና ዝጎድእ እዩ ኢሎም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%8A%95%E1%89%80%E1%88%AD%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8C%8B%E1%88%B5-123-7-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8B%B6%E1%88%8B%E1%88%AD-%E1%88%93%E1%89%B2%E1%89%B1\/6685432.html"} {"headline":"ላዕለዋይ ልኡኽ ኣመሪካን ኤውሮጳን ምስ መራሕቲ ክልል ትግራይ ምዝታዩ ተገሊጹ","content":"ልዑኻት ሕ\/ሃ፣ ኣመሪካ፣ ኣውሮጳ፣ ካናዳን ካልኦት ሃገራትን፣ ምስ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶ\/ር ደብረጽየን ገ\/ሚካኤል ሎሚ ሰሉስ ኣብ መቐለ ከምዝተዘረቡ ተፈሊጡ። ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ንጉዳያት ቐርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር፣ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ ንጉዳያት ቐርኒ ኣፍሪቃ ኣኒታ ወይበር፣ ወከልቲ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣምባሳደራት ካናዳን ጣልያንንን ካልኦት ሃገራትን፣ ምስ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶ\/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤልን ካልኦት ላዕለዎት ኣባላት ኣመራርሓን ምዝርራቦም ተሓቢሩ። ብመሰረት ወግዓዊ መራኽቢ እቲ ክልል ድምጺ ወያነ ዝዘርግሖ ሓበሬታ \"ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንዝተፈፀመ ወራር ስዒቡ ዝተፈፀሙ ገበናት ከምኡ እውን ህዝቢ ትግራይ እዉጅ ብዝኾነ ክባን ዕፅዋን ዝሳዓበ ደልሃመት ኣመልኪቱ ሰፊሕ መብርሂ ተዋሂብዎም\" ክብል ኣፍሊጡ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ልኡኽ ድሕሪ’ቲ ርክብ ኣብ ዘውጽኦ ሓጺር መግለጺ፡ ብዅላቶም ወገናት ንሰላም ዝርአ ዘሎ ቅሩብነት ድሕሪ ምምስጋን፡ ፖለቲካዊ ልዝብ እቲ እንኮ ነባሪ መፍትሒ እቲ ግጭት’ዩ ክብል ገሊጹ። እቲ ኣቐዲሙ ምስ ወከልቲ ፈደራላዊ መንግስቲ’ውን ዝተዛራረበ ልኡኽ፡ ቅልጡፍ ምምላስ መሰረታዊ ቀረባትን ኣገልግሎታትን ኣብቲ ክልል ከም ዘድሊ'ውን ሓቢሩ። ወሲኹ እቲ መግለጺ፡ በቲ ዘሎ ቅሩብነትን ተዛማዲ ምርግጋእን ንሰብኣዊ ሓገዝን ምምላስ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ምትዕንቓፍ ኣይምኽኑይን ክብል ኣመልኪቱ። ብተመሳሳሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ክኣትዉ ዘተሓሳሰበ ልኡኽ፡ ናብ ነባሪ ዕርቂ ንምስጋር ንፈጸመቲ በደል ናብ ግቡእ ተሓታትነት ዝመርሕ መገዲ’ውን ክጣየስ ኣዘኻኺሩ። እቲ ልኡኽ ኣብ መወዳእታ ብዅላቶም ወገናት ዝግበር ንጽልኢን ቂምን ዝዕድም ተዃታዂ ቃናታትን ዘረባታትን ደው ክብል ተማሕጺኑ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8B%E1%8B%AD-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%8B%8D%E1%88%AE%E1%8C%B3%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B3%E1%8B%A9-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6683858.html"} {"headline":"ኮሚሽን ሰ\/መሰላት ኢትዮጵያ ንኩነታት ኣብያተ ማእሰርቲ ክልል ኦሮምያ ዝምልከት መግለጺ ሂቡ","content":"ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኩነታት ኣብያተ ማእሰርቲ ክልል ኦሮምያ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር ከሎ ዝተወሰነ ምምሕያሽ ዋላ’ውን እንተርአየ፣ መሰላት እሱራት ዝጣሓሰሉ ኣሰራርሓ ከምዝተዓዘበ ገሊጹ። ገለ ካብ’ቶም ዝተጥቀሱ ጉድለታት ሰባት ካብ ሕጊ ወጻኢ ከምዝእሰሩ፣ ሕጊ ኣብ ዝወሰኖ ደረት ጊዜ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀርቡ ዝብሉ እዮም። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ ኣብ መደብራት ፖሊስ ንዘጓንፉ ዝበሎም ጉድለታት፣ ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ ወግዓዊ ከምዝገብር ገሊጹ'ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AB%E1%89%B0-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%82%E1%89%A1\/6683979.html"} {"headline":"ንድሕነት ጋዜጠኛታት ዝሕለቅ ትካል ዂናት ኢትዮጵያ ንኩነታት ናጽነት ፕረስ'ታ ሃገር ከንቆልቁል ጌሩ'ዩ ይብል","content":"ውግእ ሰሜን ኢትዮጵያ ድሕሪ ምውልዑ፣ ኩነተ ናጽነት ፕረስ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዘንቆልቆለን፣ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኦም ንዝተመዝገቡ ኣዎንታዊ ምዕባለታት ከምዘጥፈኦን ተሓላቂ ድሕነት ጋዜጠኛታት(CPJ) ኣፍሊጡ። እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ንድሕነት ጋዜጠኛታት ዝሕለቅ ትካል ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝሓለፈ ዓመት ውግእ ካብ ዝኽፈት ንደሓር፣ ብውሑድ 63 ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም ይብል። ዝሓለፈ ዓመት ታሕሳስ ኣብ ኢትዮጵያ 16 ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም ከምዝነበሩን እዚ ብዝሒ’ዚ ድማ ማዕረ’ታ ካብ ሃገራት ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃ ዝበዝሓ ቁጽሪ እሱራት ጋዜጠኛታት ዘለውዋ ሃገር ኤርትራ ማዕረ ከምዝሰርዓን ሲፒጄይ የዘኻኽር። ኣብ መርስዕ ናጽነት ሚድያ ሃገራት ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መበል 114 ደረጃ ትርከብ። ሲፒጄይ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ብመሰል ዋሕስ ንክፍታሕ ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ ውሳነ ንዘሕለፈ ጋዜጠኛ ተመስገን ደሳለኝ ሞያዊ ስርሑ ንከይዓዪይ ኣሲሮምዎ ከምዝርከቡን ብህጹጽ ንክፈትሕዎን ጸዊዑ ኣሎ። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ፣ ነቶም ምስ ገዛኢ ፓርቲ ብልጽግና ይተሓባበሩ ነይሮም ኢሎም ዝኣሰርዎም ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ንክፈትሕዎም’ውን ሲፒጄይ ጸዊዑ አሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%95%E1%88%88%E1%89%85-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%8B%82%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%8C%BD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8A%A8%E1%8A%95%E1%89%86%E1%88%8D%E1%89%81%E1%88%8D-%E1%8C%8C%E1%88%A9-%E1%8B%A9-%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%8D\/6684034.html"} {"headline":"ሕማም ነፍሪ ኣብ 15 ወረዳታት ክልል ትግራይ ምርኣዩ ሰብ-መዚ ጥዕና ትግራይ ኣመልኪቶም","content":"ሕማም ነፍሪ ማለት ኣንትራክስ ኣብ 15 ወረዳታት ክልል ትግራይ ምርኣዩ ሰብ-መዚ ጥዕና ትግራይ ኣመልኪቶም። እዚ ብተመልዶ “መገረም” እናተባህለ ዝጽዋዕ ሕማም ካብ እንስሳታት ናብ ሰብ ዝመሓለለፍ ኰይኑ፡ ብሰንኪ ዘሎ ስእነት መድሃኒትን ክታበት እንስሳታትን ክጋደድ ከም ዝኸኣለ እቲ ዝበጽሓና ዜና የመልክት።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95%E1%88%9B%E1%88%9D-%E1%8A%90%E1%8D%8D%E1%88%AA-%E1%8A%A3%E1%89%A5-15-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%A3%E1%8B%A9-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%9A-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%AA%E1%89%B6%E1%88%9D\/6682626.html"} {"headline":"ግብጺ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ንሳልሳይ ዓመት ከተካይዶ ዝወጠነት ምምላእ ሓጽቢ ሕዳሴ ዘለዋ ተቓውሞ ገሊጻ","content":"ግብጺ ኢትዮጵያ ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ምስ ሃገራት ታሕተዎት ተፋሰስ ፈለግ ኒል ኣብ ስምምዕ ከይበጽሓት ንኣሰሓሓቢ ግድብ ህዳሴ ብምምላኣ: ዘለዋ ተቓውሞ ብዓርቢ ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ምፍላጣ ገሊጻ። ብቢሊዮናት ዶላር ወፃኢ ይህነፅ ዘሎ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ መመንጨዊ ሃይድሮ ኤለትሪክ ጥራሕ ዘይኮነስ ህንፀቱ ካብ ዝጅመር 2011 ጀሚሩ ማእኸል ምስሕሓብ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ። መግለጺ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሃገሩ ኣብ 26 ሓምለ ኢትዮጵያ ኣብዚ ናይ ውሕጂ እዋን'ዚ ዓመት ነቲ ዲጋ ምምላእ ከምትቕጽል ዝገልጽ ደብዳበ ከምዝበጽሓ ይሕበር። ናይዚ ግብረ መልሲ ግብፂ: ተቓውምኣ ንምምዝጋብን ስምምዕ ከይተበፅሐ ኢትዮጵያ ምምላእ ማይ ምቕፃላ ንምቅዋምን ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ፅሒፋ ኣላ። እቲ ሚንስትሪ ግብፂ ኣንፃር በይናዊ ስጉምታት ኢትዮጵያ ንመጻኢ ክፈጥር ዝኽእል ሓደጋ ሓዊሱ ሕጋዊ መሰላን ሃገራዊ ረብሓኣን ንምርግጋፅ ኩሎም ኣገደስቲ ስጉምታት ክትወስድ ከም እትኽእል ኣስሚሩሉ ኣሎ። ኢትዮጵያ ግድብ ዓብይ ህዳሴ ንሓይሊ ኤለትሪክን ልምዓታን ኣገዳሲ ምዃኑ ትገልፅ። ካይሮን ካርቱምን ግን ብዛዕባ እቲ እቲ ዲጋ ስኽፍትአን ይገልፃ። እቲ 4.2 ቢሊዮን ዶላር ይህነፅ ዘሎ ዲጋ ልዕሊ 5,000 ሜጋዋት ሓይሊ ኤለትሪክ ከመንጩ ትፅቢት ይግበር። ኣብቲ ከባቢ ዑደት ይፍፅሙ ዘለው ሓድሽ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ንኹሉ ተጠቀምቲ'ቲ ፈለግ ዝጠቅም ስምምዕ ክብፃሕ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ፃዕሪ ብዕቱብ ንድግፍ ኣለና ኢሎም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/gypt-protests-ethiopia-plans-to-fill-reservoir-for-third-year-\/6682424.html"} {"headline":"ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ተዘራሪቦም","content":"ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ኢትዮጵያ ነባሪ ሰላምን ምርግጋእን ክሰፍን ምስ መንግስቲ፣ዝተፈላለዩ ተነሓናሕቲ ሰልፊታትን ስቪክ ማሕበራትን ምዝርራቦም ኣብ ኢትዮጵያ ኤምባሲ ኣመሪካ ገሊፁ። እቶም ፍሉይ ልኡኽ ምስ ምኽትል ቀዳማይ ሚንስትርን ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ደመቀ መኮነን፣ምስ ኣቦ መንበር ግንባር ነፃነት ኦሮሞ ኣቶ ዳውድ ኢብሳን ኣቦ መንበር ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲናን ምዝርራቦም ተፈሊጡ ኣሎ። ቀንዲ ዛዕባ ልዝቦም ኣብታ ሃገር ዘሎ ስእነት ሰላምን መፍትሒኦምን ምዃኑ ፕሮፌሰር መረራ ገሊፆም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%8D%E1%88%89%E1%8B%AD-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%80%E1%88%AD%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%88%AB%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6682444.html"} {"headline":"ክልላዊ መንግስቲ ሶማሌ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ብዝወሰዶ ስጉምቲ 600 ምቕታሉ ኣፍሊጡ","content":"ክልላዊ መንግስቲ ሶማሌ ናብቲ ከልል ኣትዮም ኣብ ዝነበሩ ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ልዕሊ 600 ዕጡቓት ምቕታሉ ኣፍሊጡ።ኣንጻር ብደረጃ ዓለም ግብረ-ሽበራዊ ጉጅለ ተባሂሉ ዝተመደበ ኣል-ሸባብ ዝካየድ ቓልሲ ቀፃልነት ከምዝህልዎን ምስ ፌደራል መንግስቲ ብምውዳድ ከምዝሰርሕን'ውን ተሓቢሩ ኣሎ። ቤት ምኽሪ ክልላዊ መንግስቲ ሶማሌ ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ጀሚሩ ስሩዕ ጉባኤኡ የካይድ ከምዘሎን ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ደርቅን ናይዚ ሰሙን መጥቓዕቲ ኣል-ሸባብን ኣብቲ ኣኼባ መዘራረቢ ካብ ዝነበሩ ዛዕባታት ገሊኦም ምንባሮም ተሓቢሩ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8C-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%8D-%E1%88%B8%E1%89%A3%E1%89%A5-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8B%B6-%E1%88%B5%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%89%B2-600-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%B3%E1%88%89-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6682460.html"} {"headline":"ቀባኢ ኤርሚያስ ዑቝበ ኣብ በበይኑ ግዜን ቦታን","content":"ቀባኢን ቀራጺን ኤርሚያስ ዑቝበ ብዘመናዊ ቅዲ ስራሓቱ ካብ ዝልለዩ ኤርትራውያን ስነ-ጥበበኛ ኢዩ። ሕጂ ኣብ ሃገረ ሽወደን ዝርከብ ኤርሚያስ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበረሉን ድሕሪኡ’ውን ካብ ኤርትራን ምስ ወጽአ፡ ብውሑዱ ኣብ ዓመት ሓንሳብ ናይ ስእሊ ምርኢት ከም ዝገብር ይሕብር። ብዛዕባ ስራሓቱ፡ ጽልዋ ስደተ ኣብ ቅብኣን ምስኡ ዝተኣሳሰር ኣርእስታትን ኣመልኪትና ንዘገበርናዮ ዕላል ንምክትታል ኣብዚ ሰዓቡ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%95%E1%88%8B%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%89%80%E1%89%A3%E1%8A%A2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%88%9A%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8B%91%E1%89%95%E1%89%A3\/6679451.html"} {"headline":"ካብ ክልል ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ መዓቖቢ ዝርከቡ ተወላዶ ኣምሓራ ኣብ ጸገም ከምዝርከቡ ይገልጹ","content":"ብሰንኪ ኵናት ካብ ክልል ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ ዞባ ማእኸላይ ጎንደር ጥቓ ከተማ ጎንደር ኣዘዞ ቀበሮ ሜዳ ኣብ ዝተባህለ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ዝርከቡ ተወለድቲ ብሄረ ኣምሓራ ኣብ ፀገም ከምዝርከቡ ተዛሪቦም። ኣስታት 3,000 ዝኾኑ ተመዛበልቲ ዓለምለኸ ትካላት ረድኤት ካብ ዝሰርሕሎም መፅለሊ ወፃኢ ሓገዝ ይገብረሎም ዘሎ ኣካል ከምዘየለ ብምሕባር ንህዝቢ ከተማ ጎንደር ኣመስጊኖም ኣለው። ኮሚሽነር ኮሚሽን ምክልኻል ሓደጋን ውሕስነት መግብን ክልል ኣምሓራ ዘላለም ልጃለም ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ እቲ ክልል ኣብ ዘቕረቡዎ ፀብፃብ ብኵናት ዝተመዛበሉ 1.4 ሚሊዮን ሰባት ከምዘለው ብምግላፅ እኹል ሓገዝ ይረኽቡ ከምዘየለው፤ምኽኒያቱ ድማ ዓለምለኸ ትካላት ረድኤት ብዝድለ መጠንን ስሉጡንን ረድኤት ምቕራብ ስለዘይክኣሉ እዮም ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8B%82%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A2%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%89%96%E1%89%A2-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B6-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%B8%E1%8C%88%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B9\/6679252.html"} {"headline":"ኩነታት ማሕበር ረድኤት ትግራይ","content":"ማሕበር ረድኤት ትግራይ ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ብዘይ ኣፈላላይ ንኹሉ ዝተፀገመ ህዝቢ ረዲኤታዊ ሓገዛት ክገብር ጸኒሑ'ዪ። ኣብዚ እዋን’ውን እንተኾነ ዋላ’ዃ ሕፅረት ቀረባት እንተሃለወ በቲ ዝነበረ ተሞክሮ ንዝተረክበ ሓገዛት ኣብ ምብፃሕ ይሰርሕ ኣሎ ከምኡ ኾይኑ ግን ፈታኒ ኩነታት ይሓልፉ ምህላዎም እዩ ይግለፅ ። ንፕሮግራም ማኔጀር እቲ ትካል ኣዘራሪብናዮም ኣለና ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%88%A8%E1%8B%B5%E1%8A%A4%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/6677985.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህወሓት ኣብ ዝኾነ ጊዜን ቦታን ክላዘብ ቅሩብ ምዃኑ ኣምባ.ሬድዋን ገሊጾም","content":"\"ምስ ገዛኢ ፓርቲ ክልል ትግራይ ህወሓት ንክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ልዝብ፣ ኣብ ዝኾነ ስፍራን ጊዜን ንምክያድ ቅሩብነት ከምዘሎ\" ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ገሊጾም። ኣምባሳደር ሬድዋን ወሲኾም መርገጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ኣብ ዝጻሓፍዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ \"ንቅድመ ኩነታት ኣይንቅበልን\" ኢሎም። ኣብ ቀረባ መግለጺ ዝሃቡ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶ\/ር ደብረጽየን ገ\/ሚካኤል ናብ ልዝብ ሰላም ቅድሚ ምእታው፣ ክማልኡ ኣለዎም ዝብልዎም ኩነታት ከምዝጠቀሱ ዝዝከር እዩ። ዶ\/ር ደብረጽየን ንመስርሕ ሰላም ብቀንዱ ዝመርሕዎ ኣመሪካዊያን ከምዝኾኑ፣ እቲ ልዝብ ቅድሚ ምጅማሩ ግና፣ መሰረታዊ ኣገልግሎት ተመሊሶም ክኽፈቱ ከምዝግባእ፣ ኣብ ሕገ መንግስቲ መሰረት ዝገበረ ልዝብ ንምስታፍ ቅሩባት ምዃኖም፣ ነቲ መስርሕ ይከታተሉ ኣለው ንዝበልዎም ኣመሪካዊያን፣ እቶም ህዝባዊ ኣገልግሎታት ዝጅምርሉ ጊዜ ንክግለጸሎም ከምዝሓተቱ ሓቢሮም ነይሮም። ኣመሪካ ግና ዛጊት ዝሃበቶ ወግዓዊ መግለጺ የለን። ኣብ ኢትዮጵያ ፈጻሚት ጉዳይ ኤምባሲ ኣመሪካ ትሬሲ ጃኮብሰን ብወገነን ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ንክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ልዝብ፣ ብሕብረት ኣፍሪቃ ምስላጡ፣ ሃገረን ትድግፍ እያ ከምዝበላ ይዝከር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8A%BE%E1%8A%90-%E1%8C%8A%E1%8B%9C%E1%8A%95-%E1%89%A6%E1%89%B3%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%8B%E1%8B%98%E1%89%A5-%E1%89%85%E1%88%A9%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%91-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3-%E1%88%AC%E1%8B%B5%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/6677720.html"} {"headline":"ኣብ ዓለምለኸ ውድድር ኣትሌትክስ ዝተሳተፉ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌት ድሙቕ ኣቀባብላ ተጌይርሎም","content":"ኣብ ኣመሪካ ካብ ዝተዳለወ ዓለምለኸ ውድድራት ኣትሌትክስ ድሕሪ ምስታፎም ናብ ሃገሮም ዝተመለሱ ኣትሌታት ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድሙቅ ኣቀባብላ ተጌይርሎም። ኢትዮጵያ ኣብ’ቲ ውድድራት ኣትሌትክስ ንኣመሪካ ስዒባ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ነቲ ውድድር ከምዝዛዘመት ዝዝከር እዩ። ኣባላት’ታ ጋንታ ኣብ ጎደናታት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተዘዋወሩሉ እዋን ካብ ህዝቢ ልዑል ኣድናቆት ረኺቦም። ፕረዚደንት ፌደረሽን ኣትሌትክስ ኢትዮጵያ ኮማንደር ደራርቱ ቱሉ ኣትሌታት ክልል ትግራይ ምስ ቤተሰቦም ዝራኸብሉ ኣገባብ ንክፍጠር ሓቲታ። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ኣብ ውድድራት ኦሪገን መዳልያ ዝተሸለሙ ኣትሌታት ክሳብ 2.5 ሚሊዮን ብር ሽልማት ተቀቢሎም ኣለው። ኣብ’ቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዝተዳለወ ስነ ስርዓት መደረ ዘስማዓ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ብወገነን ዝተረኸበ ዓወት ልዕሊ መዳልያ እዩ ብምባል ነቶም ኣትሌታት ከምዝናኣዳ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝለኣኾ ሪፖርት ሓቢሩ'ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%8B%B5%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%88%8C%E1%89%B5%E1%8A%AD%E1%88%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%B3%E1%89%B0%E1%8D%89-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%88%8C%E1%89%B5-%E1%8B%B5%E1%88%99%E1%89%95-%E1%8A%A3%E1%89%80%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%8B-%E1%89%B0%E1%8C%8C%E1%8B%AD%E1%88%AD%E1%88%8E%E1%88%9D\/6677760.html"} {"headline":"ሓሙሽተ ኤርትራውያን ኣትለታት ኣብ ኣመሪካ ኦሬገን ምጥፋኦም ፖሊስ የመልክት","content":"ንውድድር ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም ንኣመሪካ መጺኦም ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ኦሬገን ክወዳደሩ ዝጸንሑ ሓሙሽተ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ምስዋሮም ቤት ጽሕፈት ፖሊስ እቲ ክፍሊ-ግዝኣት ኣመልኪቱ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦሬገን ኣብ ዝርከብ መደቀሲ ዝጸንሑ እቶም ኣርባዕተ ተቐዳደምቲን ሓደ ኣስልጣኒ ወይ ተሓባባሪ ምዃኖም ዝተነግሩ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ፡ ካብ ዕለት 24 ናይዚ ወርሒ ምስዋሮም እቲ ብፖሊስ ዝወጸ መድላዪ መመልከቲ ይሕብር። እቶም ፖሊስ ኦሬጎን ኣብ መዝግብ ስዉራት ኣእትዩዎምን ብዛዕባ ሃለዋቶም ኣፍልጦ ንዘለዎ ሰብ ክሕብር ተመልኪቶም ዘለዉ ኣትለታት ፊልሞን ዓንደ፡ ሃብቶም ሳሙኤል ቀለታ፡ በርሀ ኣስገዶም ንጉሰ፡ መርሃዊ መብራህቱ ተኽለብርሃንን የማነ ተኽለሃይማኖት ሃይለስላሴን’ዮም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%88%99%E1%88%BD%E1%89%B0-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%88%88%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A6%E1%88%AC%E1%8C%88%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8C%A5%E1%8D%8B%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%8B%A8%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%AD%E1%89%B5\/6677414.html"} {"headline":"ድሕሪ ምርጫ ኬንያ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዝብ ሰላም ኢትዮጵያ ተስፋ ትገብር","content":"ኣብ መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያ መሪሕ ተራ ምጽዋታ እትግለጽ ዘላ ኬንያ፡ ድሕሪ ህሉዊ ምርጫ እታ ሃገር፡ ኣብ ልዝብ ሰላም ኢትዮጵያ ዓቢ ኣበርክቶ ክትጻወት ተስፋ ከም ዘሎ ንላዕለወይቲ ዲፕሎማት ኣመሪካ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ጸብጺቡ። ኣብ ሚኒስተሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ሓላፊት ጠረጴዛ ኣፍሪቃ ዝዀና ሞልይ ፊ ከም ዝገለጸኦ፡ ዋላ’ኳ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ብመገዲ ኣፍሪቃዊ ሕብረት እምበር ብመንጎኝነት ኬንያ ዝግበር ልዝብ ከም ዘይቅበል እንተ ኣመልከተ፡ ዝምድና ኡሁሩ ኬንያታን ኣቢይ ኣሕመድን ኣብ ግምት ብምእታው ግን እቲ ኣበርክቶ ዓቢ ምዃኑ ይሕብራ። ሞልይ ፉ ንኮሚተ ዝምድናታት ወጻኢ ሰነት ኣመሪካ ኣብ ዝሃበኦ ቃል፡ ሕጂ ቀንዲ ኣተኵሮ ኬንያ ኣብቲ ምርጫ ስለ ዘሎ፡ ድሕሪ ምውዳእ እዚ ምርጫ ግን እቲ ተራ ክዓቢ ትጽቢት ከም ዝግበሮ ጠቒሰን። ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዀኑ ማይክ ሃመር ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ዑደት ክገብሩ መደብ ወጺኡ ኣሎ። ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ነተን በዓልቲ ስልጣን ብምጥቃስ ከም ዘመልከቶ፡ እቶም ፍሉይ ልኡኽ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ክዛራረቡን እቲ መስርሕ ሰላም ንቕድሚት ዝኸደሉ መገዲ ከናድዩን ትጽቢት ይግበሮም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%AC%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%9D%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%88%B5%E1%8D%8B-%E1%89%B5%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%AD\/6677527.html"} {"headline":"ኣንጻር ኵሉ መሰናኽላት፤ ኣደን ጓልን","content":"ለበዳ ኮቪድ 19 ዝፈጠሮ ምምዝባል፣ ኲናት ክልል ትግራይ ዝፈጠሮ ሰንፈላል ህይወትን ካልእ ሽግራትን ተፃዊረን ደቀን ናብ ዝደልይዎ ብርኪ ምዕባለ ክበፅሑ ዝሓልፈኦ ከይዲ ህይወትን ኣብ ደቀን ዝፈጠሮ ፅልዋን ኣመልኪትና፡ ኣብ ከባቢ ዋሽንግተን ዲሲ ዝነብራ ኣደን ጓልን ኣዘራሪብና ኣሎና። ወ\/ሮ ሳራ ታድዮስ ኣደ ሰለስተ ቆልዑ ኮይና ኣብ ዓቕሚ ምዕባይ ዜጋታት ዝሰርሕ ንትርፊ ዘይሰርሕ ትካል ትሰርሕ፡ ኤሎራ ድማ 18 ዓመት ዝዕድሚኣ ሎሚ ዘመን ናይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርታ ወዲኣ ምሉእ ስፖንሰር ረኺባ ናብ ዩንቨርስቲ ክትከይድ ተዳልያ ትርከብ ቦኽሪ ጓላ እያ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%8C%BB%E1%88%AD-%E1%8A%B5%E1%88%89-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%8A%93%E1%8A%BD%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%B0%E1%8A%95-%E1%8C%93%E1%88%8D%E1%8A%95\/6676334.html"} {"headline":"መግለጺ ዶ\/ር ደብረፅዮን ኣብ ህሉዊ ኵነታት: ዘተ-ሰላም፡ ሓገዝን ውክልና ህወሓትን","content":"ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፡ ንህሉዊ ኵነታት ኣመልኪቶም ምስ ማዕከናት ዜና እቲ ክልል መብርሂ ሂቦም። ዶ\/ር ደብረፅዮን ኣብ መግለፂኦም ነቲ ምስ ፈደራል መንግስቲ ዝግበር ልዝብ፣ ብዛዕባ ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ ሓገዝን ብወገን ተቓወምቲ ውድባት ንውክልና ህወሓት ኣመልኪቶም’ውን መብርሂ ሂቦም ኣለዉ። ዶክተር ደብረጽዮን ኣብ መግለጺኦም ነቲ ከይዲ ሰላም ብቐረባ ዝከታተሉዎ ዘለዉ ኣመሪካ ምዃኖም ጠቒሶም ነይሮም። ብዛዕባ ኣፍልጦን ግደን መንግስቲ ኣመሪካ ድማ ንፈጻሚት ስራሕ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳድር ትረሲ ጃኮብሰን ሕቶ ቐሪቡለን ከምዚ ክብላ መሊሰን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%8D%85%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%88%89%E1%8B%8A-%E1%8A%B5%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D%E1%8A%95-%E1%8B%8D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%93-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5%E1%8A%95\/6675862.html"} {"headline":"ኣብ ደቡባዊ ሶማል ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ በዓል ስልጣን መንግስቲ ዝርከብዎም 9 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ደቡባዊ ሶማል፣ ንሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ሓዊሱ ትሸዓተ ሰባት ኣልሸባብ ብዝፈጸሞ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ከምዝሞቱ ተፈሊጡ። እቲ መጥቓዕቲ ዘጋጠመ፣ ሓላፊ’ቲ ከባቢ ዓብዱላሂ ዓሊ መሓመድ፣ ምስ ህዝቢ ከተማ ማርካ ይዘራረብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዩ። ፖሊስ’ታ ከተማ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ኮምሽነር ዓብዱላሂ ምስ ትሸዓተ ኣባላት ጸጥታ ምሟቶም ሓቢሩ'ሎ። ሓላፍነት እቲ መጥቓዕቲ ዝተሰከመ ኣል ሸባብ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር መግለጺ እቲ ‘ሰማእታዊ’ ዝበሎ ሞት፣ ስለ ምቅንጻል እቲ ኮምሽነር ዝተፈጸመ’ዩ ይብል። ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኢና ዝብሉ ብወገኖም እቲ ርእሰ ቅትለት ዝፈጸመ ውልቀ ሰብ፣ ናብ ኮምሽነር ዓብዱላሂ ጎዪዩ ምስ ተጸገዐ፣ እቲ ነታጒ ከምዘንተጎ ሓቢሮም። ኣል ሸባብ ዝሓለፈ ቅነ፣ ናብ ጎረቤት ሶማል ዝኾነት ኢትዮጵያ ሰጊሩ ዘይልሙድ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ዝዝከር እዩ። ክልላዊ ሰበ ስልጣን ብወገኖም ኣስታት 100 ሚልሻታት ቀቲልና ከምዝበሉ’ውን እቲ ዜና ይሕብር። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ታሕተዋይ ዞባ ሸበሌ ሃገረ ሶማል፣ ብሰንኪ ዘጋጠሙ ክልተ ሓደጋ ቦምብ፣ ንከንቲባ’ቲ ከባቢ ወሲኹ ብውሑድ 18 ሰባት ተቀቲሎም። ኣል ሸባብ ነዚ ናይ ሎሚ መጥቓዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ'ሎ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5%E1%8B%8E%E1%88%9D-9-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/6676141.html"} {"headline":"ሚ\/ወ\/ጉዳያት ላቭሮቭ ጠንቂ ምውሳኽ ዋጋታት ሃገሮም ዘይምዃና ይሕብሩ","content":"ንኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሓቘፈ ዑደቶም ብኢትዮጵያ ዝዛዘሙ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሃገሮም ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝፈጸመቶ ኲናት ጠንቂ ዓለማዊ ናህሪ ዕዳጋ ዘይምዃኑ ገሊጾም። መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣንጻር ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ብዘይ ምዅናነን ምስታ ኣህጉር ዝምድና ንምሕያል ዝጽዕሩ ዘለዉ እቶም ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ቀንዲ ጠንቂ ናህሪ ዋጋታት ለበዳ ኮቪድ19ን ሃገራት ምዕራብ ዘተኣታትወኦ “ሓምላይ ፖሊሲን” ኢዩ ኢሎም። ላቭሮቭ ኣብ ዘረባኦም፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ማዕቀብ ምንባራ፡ ሓደ መርኣያ ናብቲ ዝበለየ መግዛእታዊ ስርዓት ንምምልስ ዝግበር ሃቐነ’ዩ ኢሎም። እቶም ሩስያዊ በዓል ስልጣን ወሲኾም፡ ሃገራት ምዕራብ ዝሰብካሉ ናጻ ዕዳጋ ብሩስያ ክብለጽ ምስ ረኣየኦ ናብቲ ናይ ቀደም ስርዓት ይምለሳ ኣለዋ ኢሎም። ሚኒስተር ላቭሮቭ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ወጻኢ ጉዳያትን ደመቀ መኮነንን ፕረዚደታን'ታ ሃገር ሳህለወርቅ ዘውዴን ተራኺቦም ነይሮም። ምስቶም ካብ ህዝባዊ ርክብ ተገሊሎም ዘለዉን ከይተራእዩ ዝጸንሑን ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብዛዕባ ምርኻቦን ዘይምርኻቦምን ግን ዝተፈልጠ የሎን፡፡","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A-%E1%8B%88-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%88%8B%E1%89%AD%E1%88%AE%E1%89%AD-%E1%8C%A0%E1%8A%95%E1%89%82-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%BD-%E1%8B%8B%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%93-%E1%8B%AD%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A9\/6676005.html"} {"headline":"ኣመሪካ: ተወሳኺ 488 ሚልዮን ዶላር ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንኢትዮጵያ ከምዝለገሰት ኣፍሊጣ","content":"ኣመሪካ፣ ነታ ልዕሊ 8.1 ሚልዮን ካብ ህዝባ ከቢድ ደርቂ ኣጓኒፍዎ ዘሎ ኢትዮጵያ ተወሳኺ 488 ሚልዮን ዶላር ናይ ገንዘብ ሓገዝ ከምዝለገሰት ኣፍሊጣ። ህዝቢታት ደቡብን ደቡባዊ ምብራቅን ኢትዮጵያ፣ ንተኸታተልቲ ኣርባዕተ ዓመታት ርእዮሞ ዘይፈልጡ ብርቱዕ ደርቂ ኣጋጢምዎም ኣሎ። ሓረስቶት፣ ዘራእቶም ጠፊኡ ኣስታት 2.5 ሚልዮን ጥሪታት በቲ ደርቂ ሞይተን'የን። ኣመሪካ ሎም ዘበን ጥራሕ ብሓፈሽኡ 668 ሚልዮን ዶላር ናይ ገንዘብ ሓገዝ ኣብ ምግታእ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ንክውዕል ከምዝለገሰትን፣ እንተኾነ፣ ህዝቢ ብብዝሒ ከይሃልቅን ክሳብ ዝመጽእ ዓመት ሰብኣዊ ጠለባት መታን ክማላእን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያን ካልኦት ዓለምለኻዊ መዳርግትን ተሓባቢሮም ንክሰርሑን ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ገሊጹ። ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ናብ ተጠቀምቲ ዝባጻሕ መግቢ፣ ንምግዕዓዝ ዝሕግዝ ነዳዲ ዝጻዓና መካይን፣ ካብ ጂቡቲ ከምዝተበገሳ፣ ፈጻሚት ጉዳይ ኤምባሲ ኣመሪካ ትሬሲ ጃኮብሰን ሓቢረን። ኣምባሳደር ጃኮብሰን ኣብ ዘረበአን \"ካብ ሚያዝያ ጀሚሩ፣ ነዳዲ ዝጻዓና መካይን ናብ ክልል ትግራይ ምልኣኽ ከምተኻኣለ፣ እንተኾነ፣ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ፣ ናብ ሙሉእ ትግራይ፣ መግቢ ክነባጽሕ ኣይካኣልናን\" ከምዝበላ’ውን ዝመጸና ዜና ገሊጹ ኣሎ። ከም ትካል ሓገዝ ስግር ባሕሪ ኣመሪካ (ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ) ዝበሉ መሻርኽቲ ኣካላት፣ ኣብ ወርሒ ክሳብ 2 ሚልዮን ሊትሮ ነዳዲ፣ ካብ ቀረጽ ወጻኢ ናብ ኢትዮጵያ ንከእትው መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝፈቀደ’ውን እቲ ዜና ጠቂሱ'ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B3%E1%8A%BA-488-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8B%B6%E1%88%8B%E1%88%AD-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8C%88%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%89%A5-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%88%E1%8C%88%E1%88%B0%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A3\/6676081.html"} {"headline":"ማእከል ክላስተር ዲያስፖራ መቐለ፤ ድሕሪን ቅድሚን ኲናት","content":"ማእከል ክላስተር ዲያስፖራ መቐለ መንእሰያት፡ ብዓይነትን ዋጋን ንሕብረተሰቦም ዝጠቅም በበይኑ ስራሓት ዘፍርዩሉ ስፍራ’ዩ። ኣብዚ ማእከል ዝነጥፉ መንሰያት፡ ኲናት ዘስዓቦ ሕፅረት ቀረባት ብኸቢድ ደኣ ይፅለዎም እምበር፡ ኢዶም ግን ከም ዘይሃቡ ሓቢሮም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8D-%E1%8A%AD%E1%88%8B%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8B%B2%E1%8B%AB%E1%88%B5%E1%8D%96%E1%88%AB-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA%E1%8A%95-%E1%89%85%E1%8B%B5%E1%88%9A%E1%8A%95-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5\/6674780.html"} {"headline":"ብሕ\/ሃ ዝተመዘዘ መርማሪ ኮሚሽን ኣብ ኢትዮጵያ ይበጽሕ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ንዝተፈጸመ ግፍዒ ዝምርምር ሕቡራት ሃገራት ዘቆሞ ኮምሽን፣ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ መገሻ ፈጺሙ። ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕ\/ሃ ነቲ ኮምሽን ዝሓለፈ ዓመት ታሕሳስ ከምዘቆሞን፣ ዕላምኡ ተፈጺሞም ንዝተባህሉ ዓለምለኸ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኸ ሕጊን ምጽራይን ከምዝኾነ ዝፍለጥ እዩ። ትማሊ ሰኑይ መግለጺ ዘውጸአ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና እቲ ኮምሽን ስርሑ ከመይ ከምዝፍጽምን ንመርገጺ መንግስቲ ዘኽብር እንተኾይኑን ተመልኪትና፣ ውሳነና ዳግም ክንግምግም ኢና ከምዝበለ ትካል ዜና ፈረንሳ ገሊጹ። ኢትዮጵያ፣ ኣባላት እታ ኮምሽን ናብ ግዝኣታ ቅድሚ ምእታዎም ኣብ ዝነበረ ጊዜ፣ \"ጎዳኢ እዩ\" ብምባል ንምስረታ እቲ ኮምሽን ኣይቅበልን ኢላ ከምዝነበረት ዝዝከር እዩ። ኣባላት እታ ኮምሽን ትማሊ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢን ምክትል ቀ\/ሚ ደመቀ መኮንን ከምዝተራኸበት ትካል ዜና ፋና ገሊጻ ነይራ። እታ ጉጅለ መርማሪ ኮምሽን፣ ንዝቅጽሉ ኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ ክትጸንሕን ኣብ ዛዛሚ መገሻኣ መግለጺ ክትህብን እያ። ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ ብወገኖም ምስ’ታ ኮምሽን ከምዝተሓባበሩ ብምግላጽ፣ \"እንተኾነ፣ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንናይ’ታ ኮምሽን መስርሕ ምጽራይ ንክቆጻጸር ከምኡ'ውን ተቀባልነታ ድማ ከጉድል ይፍትን ኣሎ\" ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8B%98%E1%89%86%E1%88%9E-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%88%9B%E1%88%AA-%E1%8A%AE%E1%88%9D%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8C%88%E1%88%BB-%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%99\/6674540.html"} {"headline":"ሩስያ ምስ ኢትዮጵያ ዝተረረ ዝምድና ትጠልብ፡ ኢትዮጵያ ግን ኣብ መንጎ ክልተ ወገናት ትቕርቀር","content":"ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ሎሚ ሰሉስ ኣማስይኡ ኢትዮጵያ ኣትዮም ኣለው። እዚ ዛዛሚ ናይቲ ንኣርባዕተ መዓልታት ዘካየድዎ ዑደት ምዃኑ’ዩ። ካብ ሃገራት ምዕራብ ከቢድ ጸቕጢ ዝመጽኣ ዘሎ ኢትዮጵያ ንኽልቲኡ ወገናት ከመይ ከም እተተኣናግዶ ኣዛራቢ ኰይኑ ኣሎ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ኣብ ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ዑደት ብምቕጻል ሎሚ ሰሉስ ኣማስይኡ ኢትዮጵያ ብምብጻሕ ክዛዝሙ’ዮም። እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ሩስያ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝፈጸመቶ ወራር ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ቅልውላው መግቢን ሕጽረት መሰረታዊ ጸገማትን ይርኣየሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ። ዕላማ ዑደት እቶም ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዝምድና ንምሕያል’ዩ። ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተራእየ ከቢድ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ኢትዮጵያ ኣደዳ ነቕፌታ ሃገራት ምዕራብ ኰይና’ያ ጸኒሓ። ምስ ካልኦት ሃገራት ክነጻጸር እንከሎ፡ ህልወና ሩስያ ኣብ ኢትዮጵያ ብተዛማዲ ንኡስ’ዩ። ምስ ናይ ኣመሪካ ክነጻጸር እንከሎ ገዚፍ ኣሰር የብላን። ምስ ከም በዓል ቻይና ክወዳደር’ውን ኣብ ትሕተ-ቅርጺ እታ ሃገር እትገብሮ ዓቢ ወፍሪ የሎን። ንኽልተ ሃገራት ዝጠምር ካልእ ነጥቢ ግን ኣሎ።ሩስያ ድሕሪ ኲናት ክልል ትግራይ፡ ብዘለዋ ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር ብልጫ፡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ክትከላኸለላ ጸኒሓ። ገለ ካብኡ እቲ ርክብ ኣብ ዕጹው ቦታ ክግበርን ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝሓልፍ መግለጺታት ድማ ምኽልካልን ይርከቦ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ዜጋታት ካብ ንሃገራት ምዕራብ፡ ንሩስያ ዘለዎም ድጋፍ ክግለጹ ምርኣይ ዘይንቡር ኣይኰነን። እዚ ሓሳብ’ዚ ክሳብ እቶም ላዕለዎት ሰብ-መዚ መንግስቲ፡፡ንቐዳማይ ሚንስተር ሓዊስካ’ውን ዝንጸባረቕ’ዩ። ኣብ መጽናዕቲ ዝነጥፍ ሞጎስ ዘውዱ ተሾመ፡ ዝምድና ኢትዮጵያን ሩስያን ታሪኻዊ ምዃኑ ይሕብር። “ካብ እዋን ዝሑል ኲናት ኣትሒዙ፡ ኢትዮጵያ ምስ ሩስያ ጽቡቕ ዝምድና’ዩ ጸኒሑዋ። ኣብ እዋኑ ምስ ሕብረት ሶቭያት’ያ ወጊና ነይራ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተራእየ ሽግር ድማ ሩስያ ኣብ ጎድኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዃን ወሰንቲ ተራ ክትጻወት ጸኒሓ። እዚ ድማ ብመገዲ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዘለዋ ቦታ’ዩ።” ሰብ-መዚ ኢትዮጵያ ናብታ ሃገር ንዝበጽሕ ሰደድ ስርናይ ናብ ንቡር ንምምላስ፡ ሩስያ ንመስመር ጸሊም ባሕሪ ውሕስነት ክትህቦ ነቶም ሚንስተር ክላበዉዎም ትጽቢት ይግበር። ኣስታት 40% ናይ እኽሊ ቀረባት ካብ ሩስያን ዩክሬንን እተረክብ ኢትዮጵያ፡ ሕጂ ብሰንኪ’ቲ ኲናት ኣስታት 30 ሚልዮን ካብ ህዝባ ተጸልዩ ኣሎ። ዝሓለፈ ዓመት ኲናት ክልል ትግራይ ኣብ ዝቐጸለሉ ድማ ኢትዮጵያ ምስ ሩስያ ወተሃደራዊ ውዕል ፈሪማ ነይራ። እቲ ውዕል ብወገን ሃገራት ምዕራብ ዓቢ ነቕፌታ ኣስዒቡ’ዩ። ኣብ ኲንስ ዩኒቨርስቲ ካናዳ ዝምህር ፕሮፈሰር ዓወት ተወልደ ወልደሚካኤል ከም ዝገልጾ ግን፡ ሩስያ ንቦታ ምዕራብ ክትትክእ ከም ዘይትኽእል ይምጉት። ከም ኣዘራርባ ፕሮፈሰር ዓወት፡ ሕጂ ወጥሪ ምስ ትግራይ ይዝሕለሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣንጻር ምዕራብ ስጕምቲ ክወስዱ ከጸግሞም’ዩ። “ከም ርድኢተይ ዝምድና ምዕራብን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ከምቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ወይ ዓመት ዝነበሮ ሓርፋፍ ዘሎ ኣይመስለንን። ሃገራት ምዕራብ ኩነታት ኢትዮጵያ ንምርግጋእ ኣበርቲዐን ይሰርሓ ኣለዋ። ስለዚ ከኣ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ላቭሮቭ ነቲ ዘሎ ዝምድና ክቕልስ ዝኽእል ኣይመስለንን።” ኢትዮጵያ፡ ብሕቡራት ሃገራት፡ ኣንጻር ሩስያ ዝነበረ ንድፊ ድምጺ ካብ ምሃብ ምቑጣባ ይዝከር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%A9%E1%88%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%A8%E1%88%A8-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%8A%93-%E1%89%B5%E1%8C%A0%E1%88%8D%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8C%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8E-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%8B%88%E1%8C%88%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%89%95%E1%88%AD%E1%89%80%E1%88%AD\/6674479.html"} {"headline":"ዘወርቲ ታክሲ ኣዲስ ኣበባ ብኽብሪ ነዳዲ የማርሩ፣ መንግስቲ ድማ እኹል ድጎማ ከም ዝግበረ ይገልፅ","content":"ብሰንኪ ፀገም ኣሰራርሓ ነቲ ብመንግስቲ ዝተወሃበና ናይ ነዳዲ ድጎማ ዕድል ክንጥቀም ኣይከኣልናን ክብሉ ዘወርቲ ታክሲ ኣዲስ ኣበባ መረርኦም ገሊጾም። ብወገን መንግስታዊ ኣካል ግን እኹል ድጎማ ይግበር ምህላዉ ይገልፁ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ብናይ ነዳዲ ድጎማ ዝጥቀማን ዘይጥቀማን መኻይን ፈልዩ እዩ። እተን ናይ ድጎማ ተጠቀምቲ ዝኾና መኻይን ናይ ህዝቢ መመላለስቲ ክኾና እንከለዋ፡ ክፍሊት ነዳዲ ዝፍፅማሉ ዲጂታል ኣሰራርሓ ከምዝተዘርገሐ ድማ ምክትል ሚኒስትር ንግድን ቀጠናዊ ምትእስሳርን ኣቶ ሐሰን መሓመድ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም። ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ዘወርቲ መካይን ግን እቲ ብቴለፎን ዝግበር ክፍሊት ገንዘብ ምቹእ ዘይምዃኑን ብሰንኩ ድማ ነቲ ኣገልግሎት ከቋፁዎ ከም ዝተገደዱን ይዛረቡ። ብዛዕባ እዚ መብርሂ ዝሃቡ ኣቶ ሓሰን መሐመድ ድማ ኣብ ትግበራ እቲ ዲጂታል ስርዓት ኣከፋፍላ ገንዘብ ዘሎ ፀገም ንምእላይ ጉጅለ ኣጣይስና ንሰርሕ ኣለና፣ እንተኾነ ናይ ዘወርቲ መኻይን ዘመናዊ ኣሰራርሓ ናይ ዘይምቕባል ፀገም እውን ይርአ ኣሎ ይብሉ። እቲ ብመንግስቲ ዝግበር ዘሎ ድጎማ ምስ ደረጃ እቶትና ዘይከይድን እኹል ዘይኰነን ክብሉ ብዘወርቲ መካይን ንዝቐረበ ምዕዝምዛማት መራሕቲ መካይን፡ ምክትል ሚኒስተር ሓሰን መሓመድ፡ መንግስቲ ሕጂ'ውን ክሳብ 75 ሚእታዊት ዋጋ ነዳዲ ይድጉም ኣሎ፣ 25 ሚእታዊት ጥራሕ እዩ ናብ ተጠቃሚ ዘመሓላልፍ ዘሎ ክብሉ ይምልሱ፡፡ ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%98%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%B3%E1%8A%AD%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%89%A5%E1%8A%BD%E1%89%A5%E1%88%AA-%E1%8A%90%E1%8B%B3%E1%8B%B2-%E1%8B%A8%E1%88%9B%E1%88%AD%E1%88%A9-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8B%B5%E1%88%9B-%E1%8A%A5%E1%8A%B9%E1%88%8D-%E1%8B%B5%E1%8C%8E%E1%88%9B-%E1%8A%A8%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8C%8D%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8D%85\/6674405.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል ዝርከቡ ሰራዊት ምስ ኣልሸባብ ይዋግኡ ምህላዎም ተሓቢሩ","content":"ኣብ ክልል ሶማሌ ዝርከቡ ሰራዊት፣ ምስ ዕጡቃት ኣል ሸባብ ይዋግኡ ከምዘለው ተገሊጹ። እዚ ምዕባለ’ዚ ይስማዕ ዘሎ፣ ኣብ ከባቢታት ሁሉልን ኣፍዴርን ኣብ ልዕሊ’ቶም ሚልሻታት ተዓዊትና ዝብል መግለጺ ድሕሪ ምቅልሑ እዩ። ሰበ ስልጣን እቲ ክልል ትማሊ ሰኑይ ሓይልታቶም ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ኢትዮጵያ ምስ ዕጡቃት ኣል-ሸባብ ምግጫዎም ጠቂሶም ነይሮም። ናይ’ቲ ክልል ፕረዚደንት ሙስጠፌ ዑመር ምስ’ቶም ሚልሻታት ንምውጋእ ናብ ዶብ ሶማል ይብገሱ ምስ ዝነበሩ ሰራዊት ከምዝተራኸቡ’ውን እቲ ዜና ይጠቅስ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ስዊድን ዘሎ በዓል ስልጣን ኣል ሸባብ ዝነበረን ዑመር መሓመድ ኣቡ ኣያንን ከምኡ'ውን መንነቱ ክዕቀበሉ ዝመረጸ ካልኣይ ውልቀሰብን ብወገኖም \"ነቲ ኣል ሸባብ ኣብ ኢትዮጵያ የካይዶ ዘሎ ወፍሪ ዝመርሖ ኣዛዚ፣ ካብ ክልል ሶማሌ ዝኾነ ኢትዮጵያዊ’ዩ\" ምባሎም ክፍሊ ቋንቋ ሶማል ድምጺ ኣመሪካ ይሕብር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%88%B8%E1%89%A3%E1%89%A5-%E1%8B%AD%E1%8B%8B%E1%8C%8D%E1%8A%A1-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6674581.html"} {"headline":"ኣብ ኢድካ ዘሎ ወርቂ...","content":"ኣብ ከባቢና ዝበቝሉ ኣእካልን ጥረ-ምረን፡ ብሰንኪ ሕጽረት ቅኑዕ ግንዛበ፡ ከምቲ ዝደለ ዘይክንምዝምዞምን ከነዘውትሮምን ንኽእል። ወ\/ሮ ኣስመረት ዳምር እምበር ነዚ ዘሎ ሃጓፍ ንምምላእን ሕብረተሰብ ነቶም ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ትሕዝቶኦም ብግቡእ ንኽፈልጦምን መጽሓፍ ኣዳልያ። “ምስጢር ጻሕልና” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወት መጽሓፍ ማእከል ዝገብረ ዕላል ኣብ መደብ ሕርሻ ተዳልዩ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%8B%B5%E1%8A%AB-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%82-\/6673292.html"} {"headline":"ሓድሽ ዝተመዘዙ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሰለስተ ሃገራት ምብጻሕ የካይዱ","content":"ሓድሽ ዝተመዘዙ ፍሉይ ልዑኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ኣብ ግብጺ፣ ሕቡራት ዓረብ ኢማራትን ኢትዮጵያን መገሻ ይፍጽሙ ኣለው። ንሶም ካብ ትማሊ ሰንበት ጀሚሮም ንዝቕጽላ ሸውዓተ ናይ ሓደ ሰሙን መገሻ ኣብ ሰለስቲኤን ሃገራት ከካይዱ መደብ ኣለዎም። ኣመሪካ ትልግሶ ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ንምስሕሓብ ጉዳይ ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ሰላማዊን ዝማዕበለን ዞባ ምፍጣርን፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ንጉዳይ ግድብ ህዳሴ ዝከታተል ክፍሊ ክዘራረቡ እዮም። ብዘይካ'ዚ፣ ማይክ ሃመር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን፣ ደረጃ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛት ክግምግሙ፣ ኣብ ልዕሊ ፈጸምቲ ግህሰትን ግፍዒን ዝህሉ ተሓታታይነት፣ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ ንዘሎ ጻዕሪታት መስርሕ ልዝብ ሰላም ክሰርሑሉ እዮም። ኣመሪካ: ኣብ ኢትዮጵያ ኩሉ ሓቆፍ ፖለቲካዊ መስርሕ ንክትግበር ከምትግደስ፣ ሰላማዊት፣ ድሕነታ ውሑስን ዝማዕበለትን ኢትዮጵያ ምህላው ድልየት ኣመሪካ ከምዝኾነ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ዝዘርገሖ መግለጺ ጠቂሱ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%98%E1%8B%99-%E1%8D%8D%E1%88%89%E1%8B%AD-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%80%E1%88%AD%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8B%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/6672985.html"} {"headline":"ፈጻሚት ጉዳያት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ኣማሓደርቲ ከተማ ኣዳማ ከምዝተዘራረባ ተፈሊጡ","content":"ፈጻሚት ጉዳያት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ትሬሲ ጃኮብሰን፣ ምስ ኣማሓደርቲ ከተማ ኣዳማ ከምዝተዘራረባ ተፈሊጡ። ንሰን ምስ ከንቲባ’ታ ከተማ ኣቶ ሃይሉ ጄልዳ ኣብ ዝተራኸባሉ እዋን፣ ብዛዕባ ሰላምን ጸጥታን ልምዓትን ምስ ተማኸራ፣ ነቲ ትካል ሓገዝ ስግር ባሕሪ ኣመሪካ (ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ) ኣብ’ታ ከተማ ዝተሃነጸ ቤተ መርመራ (ላቦራቶሪ) ሕክምና ተዓዚበን። ከንቲባ'ታ ከተማ \"ኣዳማ፣ ብዙሓት ብሄርን ብሄረሰባት ሓቢሮም ዝነብሩላ ጽብቅቲ ከተማ እያ፣ እዚ ተመክሮ’ዚ ድማ ሃገራዊ ተመክሮ ንክኸውን ዝካኣለና ንሰርሕ ኣለና\"ክብሉ ርእይትኦም ሂቦም። ኣምባሳደር ጃኮብሰን ብወገነን \"ኣዳማ፣ መዓልታዊ ልዕሊ 600 በጻሕቲ ዝኣትውላ፣ መንበሪ ብዙሓት ብሄራትን፣ ንምምኽኻር፣ ንህንጸት ሰላም፣ ዓብዪ ተራ ዘለዋ ከተማ እያ\" ከምዝበላ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ዝላኣኾ ሪፖርት ድምጺ ኣመሪካ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/us-amb-in-ethiopia-with-governor-of-adama\/6673074.html"} {"headline":"ብሰንኪ ዂናት ተመዛቢሎም ዝጸንሑ ነበርቲ ክልል ዓፋር ናብ መንበሪኦም ክምለሱ ጀሚሮም ኣለው","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይ፣ ፈደራላዊ መንግስትን ሓይልታት ክልልን እተገብረ ውግእ ሕድሕድ ንገሊአን ተታሒዘን ዝነበራ ኸተማታት ኣዕንዩ ብሚልዮናት ዝቊፀሩ ነበርቲ ድማ ኣመዛቢሉ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝገለፆ ኣብዚ እዋን ከባቢ 295,000 ዝኾኑ ሰባት ናብተን ኣብ ፀግዕታት ሰሜናዊ ዓፋር ዝርከባ ኸተማታት ይምለሱ ኣለዉ ። ውሑዳት ነበርቲ ድሮ ናብቲ ዋዒ ዝወረሮ ከተማኦም ተመሊሶም ኣለዉ ። ኣብ ስሜን ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ዞባ ኮነባ ዝርከቡ ኣኽራናት ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ ብሓይልታት ትግራይ እዮም ተታሒዞም ፀኒሖም። ሓደ ሓደ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ከምዝብልዎ ኣብቲ ምስ ክልል ትግራይ ዘዳውብዎም ጎቦታት ሐጂ እውን ኣማዕድዮም ሓይልታት ትግራይ ዝዓረድሉ ከባቢ ከምዝርእዩ ይዛረቡ። መብዛሕትኡ ክፋል እቲ ከተማ ጥርሑ እዩ ፤ ይኹን እምበር ብህወሓት ዝምርሑ ሓይልታት ዕንወት አውሪዶም ድሕሪ ምኻዶም ንመጥቃዕቲ ፈሪሖም ሃዲሞም ዝነበሩ ሰላማውያን ሰባት ቀስ ብቀስ ናብ ናብርኦም ይምለሱ ኣለዉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8B%82%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A2%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%91-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%88%AA%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%88%88%E1%88%B1-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8D\/6670156.html"} {"headline":"ሓደስቲ እቱዋት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዳባት መብርሂ ይጽበዩ","content":"ቅድሚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ካልኦት ብሕጋዊ ፍቓድ ናብታ ሃገር ዝኣተዉን ነባሮ ካልእ ሃገር ብጃምላ ተገፊፎም ናብ መዓስከር ስደተኛታት ዳባት ተወሲዶም ኣለዉ። ዛጊት ብወገን ሰብ-መዚ ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የሎን። ንኩነታቶም ብዝምልከት ገለ ካብቶም ተገፊፎም ዝተወስዱ ብስልኪ ኣዘራሪብና ኣለና። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A5%E1%89%B1%E1%8B%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%B3%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%82-%E1%8B%AD%E1%8C%BD%E1%89%A0%E1%8B%A9\/6670068.html"} {"headline":"መልእኽቲ ወላዲት ንኣትለት ጎይተቶም ገብረስላሴ- “በርትዒ”","content":"ኢትዮጵያዊት ኣትለት ጎይተቶም ገብረስላሴ ኣብ ኦሬጎን ኣመሪካ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓለምለኸ ውድድር ተዓዋቲት ወርቂ መዳልያ ውድድር ማራቶን ምዃና ኣብ እዋኑ ብማዕከናት ዜና ተቓሊሑ ነይሩ። ኣብ እዋን ዓወታ ምስ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ስድራቤታ ክትጽንብሎ ዝነበራ ሃረርታ ዝገለጸት ጎይተቶም ናብ መበቆል ዓደን ብምጉዓዝ ንወላዲታ ኣዘራሪብናየን ኣለና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%89%B2-%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B2%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%88%88%E1%89%B5-%E1%8C%8E%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%88%8B%E1%88%B4--%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%8B%92-\/6670060.html"} {"headline":"ጥምየት ከም መሳርሒ ዂናት ምጥቃም ዝዂንን ረቂቅ ሕጊ ናብ ሰነት ኣመሪካ ምሕላፉ ተገሊጹ","content":"ሽዱሽተ ሴነተራት ኣመሪካ ጥምየት ከም መሳርሕ ውግእ ምጥቃም ዝዂንን ዘቅረብዎ ረቂቅ ሕጊ ናብ ሴነት ኣመሪካ ከምዝሓለፈ ኣፍሊጦም። እቶም ሴነተራት ነቲ ረቂቅ ሕጊ ዝሓለፈ ግንቦት ከምዘቅረቡን፣ ጥምየት ከም መሳርሕ ዂናት ምጥቃም ክኹነን ኣለዎ ጥራሕ ዘይኮነ፣ ግጭት ብደረጃ ዓለም ኣብ ልዕሊ ውሕስና መግቢ ዘስዕቦ ሓደጋ ከምዘጉልህ እቲ መግለጺ ይሕብር። ሴነተር ሪሽ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ \"ሩስያ ኣብ ዩክሬን ካብ ዝወለዐቶ ውግእ ክሳብ ኢትዮጵያ፣ ደቡብ ሱዳንን የመንን ሕማቃት ተዋሳእቲ ኮነ ኢሎም ንሕርሻዊ ናውቲን ንትሕተ ቅርጺታትን የዕንው፣ ንዕዳጋታት ይቆጻጸሩ ከም ውጽኢቱ ድማ ንፖለቲካዊን ወትሃደራዊን ዒላማኦም ክብሉ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ሞት ይስዕብ ኣሎን\" ኢሎም። ሴነተራት መርክልይ፣ ያንግ፣ ቡከር፣ ቱንን መነንደዝን’ውን ብተረኦም፣ ካብ ዩክሬን ክሳብ ኢትዮጵያ፣ ገለ ወገናት ንጥምየት ከም መሳርሕ ዂናት ይጥቀሙ ከምዘለው ብምጥቃስ ኮኒኖምዎ ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%A5%E1%88%9D%E1%8B%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%88%B3%E1%88%AD%E1%88%92-%E1%8B%82%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8C%A5%E1%89%83%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8B%82%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%88%A8%E1%89%82%E1%89%85-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%88%8B%E1%8D%89-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6670035.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ካብ ንግዲ ወጻኢ 4 ቢልዮን ዶላር ከምዝኸሰበት ተገሊጹ","content":"ኢትዮጵያ ሎሚ ዓመት ካብ ንግዲ ወጻኢ ኣርባዕተ ቢልዮን ዶላር ከምዝኸሰበት ገሊጻ። ሎሚ ዓርቢ ኣብ ናይ ወጻኢ ንግዲ ንዝተዋፈሩ አካላት ኣፍልጦ ንምሃብ ኣብ ዝተዳለወ ስነ ስርዓት፣ ንግዲ ወጻኢ ሎም ዓመት 4.12 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ከምዝበጽሐ ተሓቢሩ። እንተኾነ ኣብቲ ዓውዲ ሕጂ’ውን ብድሆታት ከምዘለው ኣብቲ ኣጋጢሙ ተገሊጹ'ሎ። በዓል ስልጣን’ቲ ቤት ዕዮ ኣቶ ሙሴ ምንዳዬ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ \"ኣብ’ታ ሃገር ዘሎ ግጭትን ዘይምርግጋእን፣ ኣብ ልዕሊ ንግዲ ወጻኢ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣስዒቡ ኣሎ። ኢትዮጵያ ካብ ዕድላት ኣግዋ ምውጻኣ’ውን ተጽዕኖ ኣለዎ። ናብ ኣግዋ ንምምላስ ጻዕሪታት ይቅጽሉ ኣለው\" ኢሎም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%8B%B2-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-4-%E1%89%A2%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8B%B6%E1%88%8B%E1%88%AD-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%A8%E1%88%B0%E1%89%A0%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6669940.html"} {"headline":"መበል 48 ዓመት ፌስቲቫል ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ተኸቢሩ","content":"መበል 48 ዓመት ፌስቲቫል ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ሜሪላንድ ከተማ ባልቲሞር ክኽበር ቀንዩ። እቲ በዓል ዓመታዊ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ክተተኣናግድ ዝተሓርየት ከተማ ብዝተፈላለዩ እዋናዊ ሃገራዊ ዛዕባታትን ምንቅስቃ፟ስ እታ ማሕበር ዝጥምቱ ገምጋማትን ምድላዋትን ይካየድ። እዚ ናይ ሎም ዘበን ፌስቲቫል 'ህዝቢ ትግራይ ይቃለስ እምበር ኣይምብርከኽን' ብዝብል ቴማ ዝተኸበረ ኾይኑ ዝተፈላለዩ ስፖርታዊ ምድላዋት፣ ዝተፈላለያ ጉባኤታትን ገምጋማትን ማሕበራት ፣ ካብ ወከልቲ መንግስቲ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ህልዊ ኩነታት ዝምልከትን ከምኡ'ውን መፃኢ ዕድልን ባህግን ትግራይ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ብምሁራትን ፍሉጣት ሰባትን መፅናዕታዊ ፅሑፋትን መብርሂን ዝተዋህበሎም መድረኻት ተሳሊጦም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%A0%E1%88%8D-48-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%8D%8C%E1%88%B5%E1%89%B2%E1%89%AB%E1%88%8D-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%89%B0%E1%8C%8B%E1%88%A9-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%89%A2%E1%88%A9\/6669794.html"} {"headline":"ሞያ ምድንዛዝ ኣካላት፤ “ወትሩ ኣብ ተጠንቀቕ”","content":"ክኢላ ሓኪም መደንዘዚ ኣካላት ዶክተር ኤልሳ ኣብርሃ ተኽለ ንትምህርታን ፈለማ ናይ ኣመሪካ ህይወታን ብቐንዱ ድማ ምስቲ ሞያ ምድንዛዝ ኣካላት ዝተኣሳሰር ዕላል አካይድና ኣለና። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9E%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%8A%95%E1%8B%9B%E1%8B%9D-%E1%8A%A3%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%89%B5%E1%88%A9-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B0%E1%8C%A0%E1%8A%95%E1%89%80%E1%89%95-\/6668598.html"} {"headline":"ተዓጽዩ ዝነበረ መስመር ንግዲ ገላባት- መተማ ምኽፋቱ ኣመሓዳሪ ምዕራብ ጎንደር ገሊጹ","content":"ን25 መዓልታት ተዓጽዩ ዝነበረ መስመር ንግዲ ገላባት መተማ፣ ሎሚ ምኽፋቱ ኣመሓዳሪ ምዕራብ ጎንደር ኣቶ ቢክስ ወርቄ ገሊጹ። ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት እቲ መስመር ከምዝተኸፈተ ዘፍለጠ መንግስቲ ሱዳን ምኳኑ ዝገለጹ ኣቶ ቢክስ ወርቄ ብወገን ኢትዮጵያ ድማ ሎሚ ከፊትናዮ ኣለና ኢሎም። ነበርቲ’ቲ ከባቢ ድማ ምኽፋት'ቲ መስመር፣ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ሰላማዊ ርክብ ዘሓይልን፣ ንምንቅስቃስ ንግዲ ዘሳልጥ እዩ ከምዝበሉ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ከተማ ባህርዳር ዝላኣኸቶ ዜና ይሕብር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/metema-sudan-road-reopen\/6668409.html"} {"headline":"ሲ.ፒ.ጄይ ኣብ ክልል ትግራይ ተኣሲሮም ዘለው 5 ጋዜጠኛታት ብቅልጡፍ ክፍትሑ ጸዊዑ","content":"ኮሚቴ ተሓላቂ ድሕነት ጋዜጠኛታት(CPJ): ምምሕዳር ክልል ትግራይ ነቶም ኣሲርዎም ዘሎ ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ንክፈትሖም ተማሕጺኑ። ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ተሌቭዥን ትግራይ ዝሓለፈ ግንቦትን ሰነን ከምዝተኣሰሩ ኮሚቴ ተሓላቂ ድሕነት ጋዜጠኛታት ገሊጹ። ወኪል ኮሚቴ ተሓላቂ ድሕነት ጋዜጠኛታት ሳኪ \"እቶም ጋዜጠኛታት፣ ምስ’ቲ ጸላኢ ዝብልዎ ፌደራል መንግስቲን ገዛኢ ፓርቲ ብልጽግናን ይተሓባበሩ ነይሮም ዝብል ክሲ ቀሪብዎም ኣሎ፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ክሲ ድማ ሙሉእ ዕድመ ማእሰርቲ ወይ መቅጻዕቲ ሞት ዘስዕብ እዩ\" ይብል። ወኪል ኮሚቴ ተሓላቂ ድሕነት ጋዜጠኛታት ኣብ ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃ ሙቶኪ ሙሞ ብወገና \"ኣብ ክልል ትግራይ ንዝቀሳቀሱ ጋዜጠኛታት ፖለቲካ ዝመበገሲኡ ጉዳይ ዒላማ ክንከውን ኢና ኢሎም ከይፈርሑ ብናጻ ክነብሩን ክሰርሑን ይግባእ\" ትብል። ብመሰረት ምንጭታት'ቲ ኮሚተ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ተኣሲሮም ካብ መንጎ ዘለው ጋዜጠኛታት እቶም ክልተ፣ ፌደራላዊ መንግስቲ ንክልል ትግራይ ተቆጻጺሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ኣብ ቴለቭዥን ትግራይ ይሰርሑ ዝነበሩ’ዮም። ካብ ወሃቢ ቃል ክልል ትግራይ ግብረ መልሲ ንምርካብ ሲ.ፒ.ጄይ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰለጠን። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንበሮ ናይ ርክባት ዕጽዋ ዘስዓቦ ሕጽረት መግቢ፣ ምቁራጽ ኤለክትሪክ፣ ኣገልግሎት ባንኪን ካልኦትን ንከልዕሎ ሲ.ፒ.ጄይ ጸዊዑ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/cpj-calls-tigray-region-five-detained-journalists\/6668446.html"} {"headline":"ኣምንስቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተፈጸመ ቅትለት ተወላዶ ኣምሓራ ክጻረ ይጽውዕ","content":"ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል እቲ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተፈጸመ ጅምላዊ ቅትለት ልዕሊ 400 ተወላዶ ኣምሓራ ንከጻረይ ጸዊዑ። ነቲ ቅትለት ከምዘይፈጸመ ዝገለጸ ንገዛእ ርእሱ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ውድብ ፈጸምቱ ምስ መንግስቲ ዝወገኑ ሚልሻታት እዮም ከምዝበለ’ውን ኣምነስቲ ይጠቅስ። ዳይረክተር ኣምነስቲ ጨንፈር ምብራቅን ደቡብን ኣፍሪቃ ዲፕሮስ ሙቼና \"እቲ ኣብ ቶሌ ብሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ እዩ ተፈጺሙ ዝተባህለ ዘስክሕክሕ ቅትለት፣ ንህይወት ወዲ ሰብ ክሳብ ክንደይ ክብረት ከምዘይዋሃብ ዝሓበረ እዩ ክብል ገሊጹዎ'ሎ። ዲፕሮስ ሙቼና ወሲኹ \"ቆልዑን ደቂ ኣንስትዮን’ውን ግዳያት ዝኾንሉ ውጹእ ጭፍጨፋ፣ ብናጻ ኣካልን ውጽኢታዊ ብዝኾነ ኣገባብን ክጻረ ይግባእ\" ይብል። ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ፈጻሚ እቲ ንተወላዶ ኣምሓሩ ዒላማ ዝገበረ መጥቓዕቲ ንገዛእ ርእሱ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝጽውዕ ውድብ እዩ ክብሉ ከለው እቲ ዕጡቅ ሓይሊ ግና ነቲ ክሲ ይነጽጎ። ትካል ዜና ፈረንሳ ዝዘርገሖ ዜና ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ተዋጋእቲ ትግራይ ሓቢሮም ንክሰርሑ ድሕሪ ምስምመዖም፣ ተፈላጥነቶም እናዓበየ ከምዝመጸ ዝዝከር እዩ ይብል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/amnesty-calls--investgation-to-tole-killing-in-ethiopia-\/6668492.html"} {"headline":"ቤት ምኽሪ ክልል ኦሮምያ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ከተማ ኣዳማ የካይድ ኣሎ","content":"ኣብ ‘ቲ ትማሊ ዝጀመረ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ክልል ኦሮምያ፣ ኣባላት’ቲ ቤት ምኽሪ፣ ኣብ’ቲ ክልል ይረኣይ ዘሎ ሞት ሰባትን ምቁራጽ ኣገልግሎታትን ከምዘልዐሉን መንግስቲ ኣድላዪ ስጉምቲ ንክወስድ ከምዝሓተቱ ተፈሊጡ። ካብ ቄለም ወለጋ ዝመጹ ተወካሊ ብወገኖም ልዕሊ 100 ሰባት ከምዝተቀትሉ ክገልጹ ከለው፣ ካብ ምዕራብ ወለጋ ዝመጹ ተወካሊ ድማ፣ ኣብ’ዞም ዝሓለፉ ዓመታት፣ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ኣብ ዞባኦም ከምዝተቀትሉ ሓቢሮም። ናይ’ቲ ክልል ፕረዚደንት ኣቶ ሺመልስ ኣብዲሳ ነቲ ክልል ሰላም ዘስእንዎ ዘለው፣ እቶም ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ኢዱ ዝዓተሮ ዓወት ንምምንጣል ይጽዕሩ ዘለው ሓይልታት እዮም ከምዝበሉ እቲ ሪፖርት ይጠቅስ። ሓላፊ ርክባት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣቶ ለሚ ገመቹ ብወገኖም \"መንግስቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ሰላም ንምስፋን ይጥቀመሉ ዘሎ ኣገባብ ቅኑዕ ኣይኮነን\" ክብሉ ነቂፎም። ንሶም ወሲኾም ‘ሰላም ኣብ’ቲ ክልል ክሰፍን እንተኾይኑ፣ ልዝባትን እዮም ዘድልዩ’ ከምዝበሉ ዝረኸብናዮ ሪፖርት ሓቢሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%88%B5%E1%88%A9%E1%8B%95-%E1%8A%A3%E1%8A%BC%E1%89%A5%E1%8A%A1-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%A3%E1%8B%B3%E1%88%9B-%E1%8B%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%88%8E\/6668526.html"} {"headline":"ዕዳጋ ኣእካልን ጥረ-ምረን መቐለ","content":"ስእነት ቀረባት፡ ዕጽዋን ካልእ ምስ ኲናት ዝተኣሳሰር ምጕስቓል ንቡር ህይወትን ተደሚሩዎ፡ ኣብ መሸጣ ኣእካልን ጥረ-ምረን ዝነጥፉ ነበርቲ ከተማ መቐለ ዓቢ ወሰኽ ዋጋ ከም ዘሎ ይዛረቡ። ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዕዳጋ ዓዲ-ሓቂ መቐለ ተዛዊሩ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣዘራሪቡ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%95%E1%8B%B3%E1%8C%8B-%E1%8A%A3%E1%8A%A5%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%8C%A5%E1%88%A8-%E1%88%9D%E1%88%A8%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88\/6667072.html"} {"headline":"ቤት ፍርዲ ጋዜጠኛ ተመስገን ደበሳይ ብዋሕስ ክፍታሕ ዘሕለፎ ውሳነ ዓቃብ ሕጊ ይግባይ ምባሉ ጠበቓኡ ገሊጾም","content":"ዓቃቢ ሕጊ ጋዜጠኛ ተመስገን ደሳለኝ ብዋሕስ ተፈቲሑ ጽሑፍ ምጽሓፉ ዝቅጽል እንተኾይኑ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ልዕሊኡ ስጉምቲ ክወስድ እየ ምባሉ ንቤት ፍርዲ ከም ዘፍለጠ ጠበቓ እቲ ጋዜጠኛ ገሊጾም። ጉዳይ ምሃብ መሰል ዋሕስ ጋዜጠኛ ተመስገን ደሳለኝ ንምርኣይ ሎሚ ተጋቢኡ ዝነበረ ፌደራል ጠቅላሊ ቤት ፍርዲ 2ይ መጋባእያ ገበን ተለዋጢ ቆጸራ ምሃቡ ጠበቅኡ ኣቶ ሄኖክ ኣኽሊሉ ገሊጾም'ለዉ። ብኻልእ ዜና ቅድሚ ሰሙን ብሓይልታት ጸጥታ ዝተታሕዘ ጋዜጠኛ ኣልኣዛር ተረፈ ሎሚ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ተለዋጢ ቆጸራ ከምዝተዋህቦ ጠበቅኡ ኣቶ መሰረት የኔንህ ገሊጾም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%B5%E1%8C%88%E1%8A%95-%E1%8B%B0%E1%89%A0%E1%88%B3%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%8B%8B%E1%88%95%E1%88%B5-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%88%95-%E1%8B%98%E1%88%95%E1%88%88%E1%8D%8E-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%8B%93%E1%89%93%E1%89%A5-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8B%AD%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%89-%E1%8C%A0%E1%89%A0%E1%89%93%E1%8A%A1-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/6666905.html"} {"headline":"ኢትዮጵያዊት ኣትሌት እጅጋየሁ ታየ ብዘይ ምኽንያት ካብ ውድድር ተገሊለ ክትብል ቕሬትኣ ትገልጽ","content":"ዓለምለኸ ፌደረሽን ኣትሌትክስ ዘዳለዎ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድራት ኣትሌቲክስ ኣብ ኦሪገን ኣመሪካ ይካየድ ኣሎ። ብመሰረት’ዚ፣ መጻረዪ ዙር ውድድር ጉያ 5-ሽሕ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ክካየድ እዩ። ኤርትራዊት ራሄል ዳንኤል፣ ኢትዮጵያዊያን ጉዳፍ ጸጋይ፣ ዳዊት ስዩም፣ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ካስተር ሰመንያ፣ ኬንያዊያን ቢትርስ ቺቤት፣ ማርጋሬት ቺለሞ ትጽቢት ካብ ሞንጎ ዝግበረለን ኣትሌታት እየን። እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት እጅጋየሁ ታየ፣ ብዘይ ምኽንያት ካብ ውድድር 5-ሽሕ ተገሊለ ክትብል ቕሬትኣ ትገልጽ። ንሳ ንድምጺ ኣመሪካ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ \"ካብ ሞንጎ ናብ’ቲ ውድድር ዝተሓጸያ ኣትሌታት ብሉጽ ሰዓት ኣመዝጊበ እናሃለኹ፣ ካብ’ቲ ናይ ሎሚ ውድድር መጻረዪ ንክግለል ብፌደረሽን ኣትሌትክስ ኢትዮጵያ ተወሲኑኒ\" ትብል። ንኣትሌታት ኢትዮጵያ መሪሑ ናብ ኦሪገን ዝኣተወ ኣቶ ተፈራ ሞላ ብወገኑ \"እቲ ውሳነ፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ቅድሚ ምብጋስና ዝተወሰነን ኣብ ስምምዕነት ዝተበጽሓሉን ጉዳይ’ዩ\" ኢሉ። ካልእ ዜና ኣትሌትክስ ኦሪገን 2022፣ ሎሚ ረቡዕ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ዛዛሚ ውድድር 3000 ሜትሮ መሰናክል ክካየድ እዩ። ኢትዮጵያዊያን መቅደስ ኣበበን የወርቍሃ ጌታቸውን፣ ኡጋንዳዊት ፔሩዝ ቼሙታይን ኬንያዊት ሴልፋይን ቼስፖልን ሜዳልያ ወርቂ ክዕወታ ይኽእላ’የን ተባሂለን ትጽቢት ይግበረለን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%88%8C%E1%89%B5-%E1%8A%A5%E1%8C%85%E1%8C%8B%E1%8B%A8%E1%88%81-%E1%89%B3%E1%8B%A8-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%8B%B5%E1%88%AD-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%88%88-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%89%95%E1%88%AC%E1%89%B5%E1%8A%A3-%E1%89%B5%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%BD\/6666499.html"} {"headline":"ሰለስተ ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ፡\nህወሓት ንምሉእ ህዝቢ ትግራይ ወኪሉ ክላዘብ ኣይክእልን ክብሉ መግለጺ ኣውጺኦም","content":"ሰለስተ ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ፡ ህወሓት ንምሉእ ህዝቢ ትግራይን ጠለባት ትግራይ ወኪሉ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰላም ክላዘብ ኣይክእልን፡ ሕጋውነት’ውን የብሉን ዝብል መግለጺ ኣውጺኦም። ህወሓት ብወገኑ፡ ህዝቢ ዝመረጾ ውድብ ብምዃኑ ንልዝብ ክውከል ግቡእ ምዃኑ ኣብ ዘውጽኦ ካልእ መግለጺ ኣመልኪቱ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%88%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%89%E1%8A%A5-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%88%E1%8A%AA%E1%88%89-%E1%8A%AD%E1%88%8B%E1%8B%98%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8A%AD%E1%8A%A5%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%8C%BA%E1%8A%A6%E1%88%9D\/6665379.html"} {"headline":"ምህርቲ ስርናይ ኢትዮጵያ ብ70%\nክውስኽ ትጽቢት ይግበር","content":"ዋላ'ዃ ኹናት ሓድ ሕድን ኣብ 40 ዓመታት ዘጋጠመ ዝከፍኣ ደርቂ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ ሕጂ እዋን ምህርቲ ስርናይ ኢትዮጵያ ብ70% ከውስኽ ትጽቢት ተጌርሉ'ሎ። እዚ እታ ሃገር ካብ ጽግዕተኝነት ካብ ወጻኢ ዝኣቱ መግቢ ንምንካይ ትገብሮ ዘላ ጻዕሪ እዩ። እዚ ወሰኽ ምህርቲ ስርናይ ዝነኣሰ ተስፋ እንተሃበ'ዃ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ኢትዮጵያውያን ግን ሕጂ'ውን ሓገዝ መግቢ የድልዮም ኣሎ። ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዘካየደቶ ወራር ድማ ረድኤት መግቢ ናብ ተሓገዝቲ ክበጽሕ አይከኣለን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A570-%E1%8A%AD%E1%8B%8D%E1%88%B5%E1%8A%BD-%E1%89%B5%E1%8C%BD%E1%89%A2%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8C%8D%E1%89%A0%E1%88%AD-\/6665407.html"} {"headline":"ተሓለቕቲ ትካላት ንግዱድ ምግዓዝ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ይቃወሙ","content":"ኣብ ኣዲስ-ኣበባን ከባቢታትን ዝነበሩ ልዕሊ 100 ዝበጽሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብጃምላ ተገፊፎምን ብዘይ ድሌቶም ናብ ርሑቕ መዓስከራት ክልል ኣምሓራ ምግዓዞም ኣዝዩ ኣሻቓሊ’ዩ ክብል ዓለምለኸ ትካል ረፉጂስ ኢንተርናሽናል (Refugees International) ገሊጹ። እቲ ንመሰል ስደተኛታት ዝጣበቕ ዓለምለኸ ትካል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዓለማዊ ስምምዓት ከተግብርን ነቲ ስራሕ ደው ከብሎን ጸዊዑ ኣሎ። ሰብ-መዚ ኢትዮጵያ፡ መሰል ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ብምጥሓስ ይኽሰሱ። ዓብዱላሂ ሃላከ ኣብ ትካል ረፉጂስ ኢንተርናሽናል ላዕለዋይ ተጣባቒ ኣብ ዞባ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ’ዩ። ንሱ ከም ዝብሎ፤ “ቅድሚ ቀረባ መዓልታት ሰብ-መዚ ኢትዮጵያ፡ ኣብዛ ሃገር ክነብሩ ንዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ገፊፉን ብኣውቶቡሳት ገይሩን ናብ ክልል ኣምሓራ ኣግዒዙዎም ኣሎ። እቲ ግዒዞምሉ ዘለዉ ከባቢ ድማ ውሑስ ቦታ ኣይኰነን።” ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ክልል ትግራይን ምፍራስ መዕቆቢ መዓስከራት ስደተኛታትን እቶም ኣስታት 20-ሽሕ ኣብቲ መዓስከራት ተሓቚፎም ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት እቶም ቀንዲ ግዳያት ዝዀኑ’ዮም። ካብ ክልል ትግራይ ዝተፈናቐሉ ስደተኛታት ብተናጸልን ዘይውሑስ መገዲን ንድሕነቶም ክብሉ ናብ ኣዲስ-ኣበባን ካልኦት ከተማታትን ክመጹ ጸኒሖምን ኣለዉን። ከም ሓበሬታ ትካል ረፉጂስ ኢንተርናሽናል፡ እቶም ስደተኛታት ካብ ትግራይ ምስ ወጽኡ’ውን ተጣባቒ ኣካል የብሎምን። ካብ ትካል ረፉጂስ ኢንተርናሽናል ሃላከ ምኽንያት ናይቲ ዝውስደ ዘሎ ስጕምቲ ክገልጽ እንከሎ፤ “እዞም ስደተኛታት እዚኣቶም፡ ንሃገሮም ዘይጽቡቕ ምስሊ ስለ ዝህቡ፡ ብመንግስቶም ይህደኑ ኣለዉ። ብወገን ኢትዮጵያ ዘለዉ በበይኖም ሓይልታት ድማ ግዳያት’ዮም። ብስንኪ’ዚ ድማ ኣደዳ ምጕስቓል፡ መቕተልቲ፡ ጾታዊ ዓመጽን ካልእን ኰይኖም ኣለዉ።” ዝሓለፈ ዓመት ዓለምለኸ ተሓላቒ ትካል ህዩማን ራይትስ ዎች እዞም ስደተኛታት ብበብይኖም ኣካላት ከቢድ ጥሕሰት ከም ዘጓነፎም ጸብጺቡ ነይሩ። ትካል ረፉጂስ ኢንተርናሽናል ድማ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ስደተኛታት ዝግበኦም ዋሕስ ክህቦምን ድሕነቶም ክሕሉን ይጽውዕ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/eritrean-refugee-forced-settlement-in-ethiopia\/6664974.html"} {"headline":"ፈጻሚት ጉዳይ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ሰሜን ጎንደር ምብጻሕ ፈጺመን","content":"ብሰንኪ ውግእ ካብ ክልል ትግራይ ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ኣብ ሰሜን ጎንደር ወረዳ ዳባት ዘዕቆቡ መግቢን መሰረታዊ ቀረባትን ኣብ ዘይተማልአሉ ኩነታት፣ ኣጸጋሚ ህይወት የሕልፉ ከምዘለው ገሊጾም። እቶም ተመዛበልቲ ነዚ ዝገለጹ፣ ፈጻሚት ጉዳይ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ቴሬስ ጃኮብሰን ነቲ መዕቆቢ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን እዩ። እተን ኣምባሳደር ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ መንግስቲ ኣመሪካ፣ ነቶም ተመዛበልቲን ብሰንኪ ውግእ ንዝተሸገሩ ዜጋታት፣ ዝተፈላለዩ ደገፍ ኣብ ምግባር ከምዝጸንሐትን፣ ዕላማ መገሸአን ናብ’ቲ ከባቢ’ውን ንሱ እዩ ኢለን። እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ኣሜሪካ ኣብ ምርግጋጽ ውሕስና መግቢ ንዝካየድ ጻዕሪ ዝውዕል ፭፭ ሚልዮን ዳለር ንኢትዮጵያ ከምዝለገሰት ተፈሊጡ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%88%E1%8C%BB%E1%88%9A%E1%89%B5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A4%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%98%E1%8A%95\/6665290.html"} {"headline":"ቤት ፍርዲ ከተማ ቡራዩ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣባላት መሪሕነት ኦነግ ክፍትሑ ምውሳኑ ጠበቓኦም ገሊጹ","content":"ኣብ ቡራዩ ተኣሲሮም ዘለው ኣባላት መሪሕነት ግንባር ነጻነት ኦሮሞ (ኦነግ) ንክፍትሑ፣ ናይ’ታ ከተማ ቤት ፍርዲ ከምዝወሰነ፣ ጠበቃ’ቶም እሱራት ገሊጾም። እንተኾነ እዚ ዜና’ዚ ክሳብ ዝተፈነወሉ ሰዓት፣ እቶም እሱራት ከምዘይተፈትሑ ጠበቃ'ቶም እሱራት ወሲኾም ሓቢሮም ኣለው። ኣቐዲሙ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ ብዘይ ሕጊ ዝተኣሰሩ ኣመራርሓ ኦነግ ብህጹጽ ይፈትሑ ኢሉ ሽሞም ካብ ሞንጎ ዝጠቀሶም ሰባት ገሊኦም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቡራዮ ከምዝርከቡ’ውን እቲ ዜና ሓቢሩ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%89%A1%E1%88%AB%E1%8B%A9-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%AA%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A6%E1%8A%90%E1%8C%8D-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%91-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%91-%E1%8C%A0%E1%89%A0%E1%89%93%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6665198.html"} {"headline":"ህወሓት ብመንግስቲ ኬንያ ንዝካየድ ዘተ ሰላም ዝውክል ጕጅለ ምምዛዙ ይሕብር","content":"ገዛኢ ውድብ ክልል ትግራይ ዝዀነ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህወሓት)፡ ብመንጎኝነት መንግስቲ ኬንያ ኣብ ዝግበር ዘተ ሰላም ንምስታፍ ኮሚተ ምምዛዙ ወሃብ-ቃል እቲ ውድብ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣመልኪቶም። እዚ ዜና፡ ሓደ ሰሙን ድሕሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ዝመዘዞ ኣካል ቀዳማይ ርክቡ ምቅናዑ ድሕሪ ምሕባሩ’ዩ ዝኸውን ዘሎ። ኣብ መንጎ ክልተ ኣካላት ዘሎ ፍልልይ ግን ገዛኢ ውድብ ብልጽግና ብሕብረት ኣፍሪቃን ኦሊሰገን ኦብሳንጆን ዝምራሕ ዘተ ሰላም ክቕበል እንከሎ፡ ብወገን ትግራይ ግን ብመንጎኘንት ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ዝምእከል ከም ዝቕበሉ ጥራይ የመልክቱ። ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ዝርዝር ኣብታ ኮሚተ ተሓቚፎም ዘለዉ ውልቀ-ሰባት ከይጠቐሱ፡ እቲ ልኡኽ ንኬንያ ክሰዱ ድሉዋት ምዃኖም ክሕብሩ እንከለዉ፡ ናብ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ምልኣኽ ግን ኣድላይነቱ ከም ዘይርኣዮምን ሓለፍነት ዝጐደሎን’ዩ ክብሉ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሮም። ከም ኣገላልጻ ኣይተ ጌታቸው፡ ኡሁሩ ኬንያታ ካብ ፈለማ ንዘተ ሰላም ከም ዝሰርሑ መጠን ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ክህሉዎም ኣገዳሲ’ዩ ኢሎም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/tplf-on-peace-negotiation\/6663478.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ንጋዜጠኛታት ወጻኢ እናጸንከረት ትመጽእ","content":"ካብ ኢትዮጵያ ወረቐት ፍቓድ ስራሖም ዝተመንጠሉን ካብታ ሃገር ንኽወጹ ዝተሓበሩን ጋዜጠኛታት፡ ኣብታ ሃገር ምጕስቓልን በበይኑ መጥቃዕታትን ልሙድ እናዀነ ይመጽእ ምህላዉ ንድምጺ ኣመሪካ ይሕብሩ። ካብቲ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ንመርገጺ መንግስቲ ዝደገፈ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ክሳብ’ቲ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣንጻር ምምሕዳር ኣመሪካ ዝካየድ ተቓውሞ፡ ኣንጻር ሸፈነ መራኸቢታት ኣብ ጉዳይ ኲናት ኢትዮጵያ ሓደ ካብቲ ብቐጻሊ ዝለዓል ኵርናዕ’ዩ። እቲ ነቕፌታ ድማ መራኸቢታት ዓለም ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐንዐን ዝንቡዕ ዜናታትን ምቕራቦም ዝኸስስ’ዩ። ንህንጸት ሓጽቢ ሕዳሰን ካልእ ምዕባለታትን ሸፈነ ንምሃብ ንኢትዮጵያ ዝመጽኡ ናይ ወጻኢ ሃገር ጋዜጠኛታት፡ ናጻ ፕረስ ኣብታ ሃገር በብእዋኑ እናገደደ ይመጽእ ምህላዉ ይሕብሩ። ወኪል መጽሔት ዘ-ኢኮኖሚስት ኰይኑ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሰርሕ ዝነበረ ቶም ጋርድነር ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ፤“ብሕልፊ ኲናት ትግራይ ድሕሪ ምውላዑ፡ እቲ ዝነበረ ኵነታት መሊሱ ገዲዱ’ዩ። ዝሓለፈ ዓመት ንትግራይ ካብ ምኻድ ተኸልኪለ’የ፡” ይብል ጋርድነር ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመትን ፈረቓን ወኪል ዘ-ኢኮኖሚስት ኰይኑ ካብ ኢትዮጵያ ዝሰርሐ: ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ግን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓድ ስራሑ ተመንጢሉ ካብታ ሃገር ንኽወጽእ ተሓቢሩ። ጋርድነር ንበብይኖም ምዕባለታት እታ ሃገር ጸብጺቡ’ዩ። ምስ ዝሰዓበ ፖለቲካዊ ቀውሲ ግን ኣንጻር ጋዜጠኛታት ዝቐንዐ መጥቃዕታት ምቕጻሉ’ውን ይሕብር። እቲ ጋዜጠኛ ከም ዝጠቕሶ፡ ብምኽንያት ስራሑ ምስ ፖሊስን ኣባላት ጸጥታን ኣብ ጸገም ኣትዩ’ዩ። ንኣብነት ኣብ ወርሒ ሓምለ 2021፡ ፖሊስ ጋርድነርን መሳርሕቱን ኣሲሮሞም። ኣብ ካልእ ግዜ ድማ ብሰደፍ ብረት ንሱ ርእሱ ክህረም እንከሎ፡ ዓርኩ ድማ ብፖሊስ ተሃሪሙ ኣፉ ክደሚ ከም ዝረኣየ ይሕብር። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮ ናይ ስራሕ እዋናት፡ ጋርድነር ክልተ በበይኑ ኣገባባት መጥቃዕቲ ከም ዝወረዶ ይጠቅስ። እቲ ቀዳማይን ዝውቱርን ዝብሎ ብመርበባት ዝግበር መጥቃዕታት ኰይኑ ነቲ ዘቕርቦ ጸብጻባት ክጥምዝዝ ዝፍትን’ዩ። እቲ ካልኣይ ድማ ካብ በዓል-መዚ መራኸቢታት እታ ሃገር፡ ፍቓድ ስራሑ መንጢሉ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ካብታ ሃገር ክወጽእ ምሕባር’ዩ። ብወገን ሰብ-መዚ መራኸቢታት እታ ሃገር ዝቐረበ ክሲ ንጹር ዘይምንባሩ’ዩ እቲ ጋዜጠኛ ዝምጕት። “ኣብቲ ዝሃቡኒ ደብዳበ፡ ኣዝዩ ኣሻማዊን ዘይንጹርን’ዩ ነይሩ። ንጹር ዘይኰነ ጕድለት ስነ-ምግባር ጋዜጠኝነት ከም ዝተራእየኒ፡ ሞያውነት ጋዜጠኝነት ከም ዘጕደልኩን ጠቒሶምለይ። ብልክዕ እንታይ ምንባሩ ግን ርዱእ ኣይነበረን።” ወሃቢት-ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ቢልለኔ ስዩም ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ብድምጺ ኣመሪካ ተሓቲታ ምላሽ ኣይሃበትን። ካብ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንዝቐረበሉ ነቕፌታ ግን፡ መንግስቲ ኣንጻር ዝንቡዕ ወረን ናይ ኣሸበርቲ ፕሮፓጋንዳን ይቃለስ ምህላዉ’ዩ ይሕብር። ኣብ ወርሒ ሰነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ መደረኦም ብዛዕባ ጋዜጠኛታት ኣመልኪቶም ተዛሪቦም ነይሮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር “ብስም ተሓለቕቲን ጋዜጠኝነትን ንሃገራዊ ትካላት ከውዕንዉ ንዝፍትኑ ዜጋታት ብስም’ቲ ሞያ ክንጽውዖም የብልናን፡” ኢሎም። ብተመሳሳሊ ክሲ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2021 ካብታ ሃገር ንኽወጽእ ዝተኣዘዘ ወኪል ጋዜጣ ዘ ነው-ዮርክ ታይምስ (The New York Times) ሳይሞን ማርክስ ከም ዝጠቕሶ ድማ እቲ ማህረምቲን ምጕስቓልን ሞራል እቶም ጋዜጠኛታት ሃስዩ ልሙድ ስራሖም ንምግባር ከም ዘተዓንቕፎም ይጠቅስ። ተሓለቕቲ ፕረስ እቲ ኵነታት ንናጻ ስራሕ ጋዜጠኛነት ዝዕቅንፍ ምዃኑ ይሕብሩ። ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ወጻኢ ዝግበር ምጕስቓል ከኣ ኣብቶም ሃገራውያን ጋዜጠኛታት ዝኸፍእ ስንባድ ዝፈጥር’ዩ ይብሉ። ካብ ዓለምለኸ ተጣባቒ ትካል ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት (Committee to Protect Journalists) ዝዀነት ሙቶኪ ሙሞ ብወገና፤ “ዘቤታውያን ይዅኑ ናይ ወጻኢ ጋዜጠኛታት ድሮ ኣብ ኢትዮጵያ እንተልዮም እዚ ምጕስቓል ሓደ ዓቢ መልእኽቲ’ዩ ዝገድፈሎም። እዚ ዝመስል ኣብ ካልእ እንተ ወሪዱ ንዓይ ክመጽኣኒ’ውን ርሑቕ ኣይኰነን ዝብል ሓሳብ’ዮም ዝሕዙ፡” ትብል። እቲ ስግኣት ድሮ ዓቢ’ዩ። ብመንግስቲ ዝምወል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ወርሒ ሓምለ 2021ን ወርሒ ግንቦት 2022ን፡ 54 ምስ ምስ መራኸቢ-ብዙሃን ዝተኣሳሰር ስራሕ ዝሰርሑ ውልቀሰባት ከም ዝተኣስሩ ይሕብር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A5%E1%8A%93%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%8A%A8%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%8A%A5-\/6663412.html"} {"headline":"ህወሓት ንክልል ትግራይ ኣይውክልን ዝብሉ ውድባት ክልል ትግራይን ግብረ መልሲ ህወሓትን","content":"ልዝብ ሰላም ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲን ክልል ትግራይን ይዳለው ኣብ ዘሎ ሕጂ እዋን፡ ሰለስተ ተቓወምቲ ፓርቲታት ክልል ትግራይ፡ ህወሓት ንበይኑ ንህዝቢ ትግራይ ክውክል ከም ዘይክእል ኣብ ቀረባ እዋን መግለጺ ኣውጺአን ነይረን። ኣብቶም ውድባት ዘሎ ዕቃበታትን ትጽቢታቶምን ኣመልኪቱ ንሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ሳልሳይ ወያነ ኣቶ ሃይሉ ከበደ ኣዘራሪቡዎ ኣሎ። ድሕሪ ናይ ኣቶ ሃይሉ ቃለ-ምምልልስ ምላሽ ካብ ወገን ክልል ትግራይን ገዛኢ ፓርቲ ህወሓትን ዘሎ ግብረ-መልሲ ድማ ይስዕብ። ኣብዚ ጉዳይ መልሲ ዝሃበ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ሓላፊ ርክብ ቢሮ ህዝቢን መንግስቲን ክልል ትግራይ’ዮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8B%8D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5%E1%8A%95\/6663648.html"} {"headline":"ዕላል ምስ ኣላዪን ጠርናፊን ጕጅለ ትልሂት ሚራስ ኣማኑኤል ዳዊት","content":"ኣላዪን ጠርናፊን ኣብ ጕጅለ ትልሂት ሚራስ ዝዀነ ኣማኑኤል ዳዊት፡ ኣብዚ ሞያ ንኣስታት 19 ዓመታት ከም ዝጸንሐ’ዩ ዝሕብር። ኣማኑኤል ኣብታ ንኣስታት ትሸዓተ ዓመታት ብኣብነት እትነጥፍ ጕጅለ ትልሂት መሪሕ ተራ ዝጻወት ዘሎ’ዩ። ንሞያኡን ካልእ ምስኡ ዝተኣሳሰር ጉዳያትን ኣመልኪቱ ኣዘራሪብናዮ ኣለና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%95%E1%88%8B%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%88%8B%E1%8B%AA%E1%8A%95-%E1%8C%A0%E1%88%AD%E1%8A%93%E1%8D%8A%E1%8A%95-%E1%8C%95%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%89%B5%E1%88%8D%E1%88%82%E1%89%B5-%E1%88%9A%E1%88%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%88%9B%E1%8A%91%E1%8A%A4%E1%88%8D-%E1%8B%B3%E1%8B%8A%E1%89%B5\/6660749.html"} {"headline":"ዕላል ምስ ነባራት ጋዜጠኛታት ድምጺ ኣመሪካ ብምክንያት መበል 26 ዓመት ምስረታ ክፍሊ ቋንቋ ትግርኛ","content":"ድምጺ ኣመሪካ መደብ ቋንቋ ትግርኛ ቅድሚ 26 ዓመታት 15 ሓምለ 1996 ጀሚሩ። በዚ ኣጋጣሚ እምበኣር ምስ ክልተ መስረትቲን ኣሰናዳእቲ'ቲ ክፍሊ ዝነበራ ካብ ፈለማ ክሳብ 2007 ኣሰናዳኢትን ኣዳላዊትን ዝነበረት ኣዳነሽ ፍስሃየን ከምኡ'ውን ኣሰናዳኢትን ኣዳላዊትን ኰይና ኣብዚ ረድዮ ዝነውሐ እዋን ትሰርሕ ዘላ ምንያ ኣፍወርቂን’ያ ንዝሓለፈ 26 ዓመታት ዝግምግም ዕላል ኣካዪድና ኣሎና። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%95%E1%88%8B%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%90%E1%89%A3%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%89%A0%E1%88%8D-26-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%A8%E1%89%B3-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%88%8A-%E1%89%8B%E1%8A%95%E1%89%8B-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AD%E1%8A%9B\/6660724.html"} {"headline":"ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ነታጒ ኣብ ህይወት ሰብ ጉድኣት የውርድ ምህላው ተሓቢሩ","content":"ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝተቕበሩን ዝተደርበዩን ነታጕታት፣ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ ጉድኣት የውርዱ ከምዘለው ተሓቢሩ። እቲ የጋጥም ዘሎ ጉድኣት፣ ብመጽናዕቲ ዘይተነጸረ ዋላ’ውን እንተኾነ፣ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝኣተውሎም ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን፣ ብሰንኪ ምንታጉ ነታጕታት ብዝሒ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 30 ከምዝበጽሕን፣ ፎኪስን ከቢድን ጉድኣት ዝወረዶም ድማ ልዕሊ 80 ከምዝኾነ ሰበ ስልጣን’ቲ ከባቢታት ይገልጹ። ናይ ክረምቲ ወቅቲ ምስ ምኳኑ ተኣሳሲሩ፣ ተቀቢሮም ዝነበሩ ነታጕታት ብውሕጅ ይቃልዑ ስለዘለው፣ ንቆልዑ ብቀሊሉ ክረኽብዎም ከምዝኻኣሉን፣ መጻወቲ እናመሰሎም ከምዝተነኻኽፍዎን ሓደጋ የስዕብ ምህላው ይሕበር ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/afar-and-amhara-region-accidents-from-explosions\/6660461.html"} {"headline":"ስድራቤት ክብሮም በርሀ ደሃዩ ከም ዘይብሎም ይሕብሩ","content":"ብ 3 ሓምለ 2014 ተታሒዞም ኣብ ፖሊስ መምርሒ ኣቃቂ ቃሊቲ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ውድብ ባይቶና ኣቶ ክብሮም በርሀ ዝርከቡዎም 18 ሰባት ኣበይ ከምዘለው ከም ዘይፈልጡ ስደራቤቶም ገሊፆም። ሓላፊ ክፍሊ ርክብ ጉዳያት ወፃኢ ባይቶና ዝኾኑ ኣቶ ክብሮም በርሀ ዝሓለፈ ሰንበት ተታሒዞም ኣብ መምርሒ ፖሊስ ኣቃቂ ቃሊቲ ተኣሲሮም ምስ ፀንሑ፡ ብሰሉስ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ብዋሕስ ክፍትሑ ተወሲኑ ምንባሩ በዓልቲቤት ኣቶ ክብሮም ወይዘሮ ፅታ ንድምፂ ኣመሪካ ሓቢረን። ይኹን እምበር እቲ ውሳነ ከይተፈፀመ ኣቶ ክብሮም ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከም ዝተወሰዱ ተዛሪበን። ምስ ኣቶ ክብሮም ተኣሲሮም ካብ ዝነበሩ ሓንቲ ዝኾነትን ሽመይ ከይጥቀስ ዝበለትን ውልቀሰብ 3 ሓምለ 2014 ንጎሆ ሰዓት 4:00 ንዓኣ ሓዊሱ ኣብ ኣኼባ እድር ዝነበሩ ሰባት ብልሙድ አለምባንክ እናተባሃለ ካብ ዝፅዋዕ ከባቢ ናይ ሲቪል ክዳን ብዝተኸደኑ ሰባት ተሓፊሶም ከም ዝተወሰዱ ይሕብራ። ኣብ ልዕሊ እቶም እሱራት ፖሊስ ዘቕረቦም ክስታት ድማ “ገንዘብ ኣኪብኩም ንህወሓት ትሕግዙ ኣለኹም፣ ነቲ መንእሰይ ዘለዓዕል መፅሓፍ ኣሐቲምኩም ተከፋፍሉ ኣለኹም” ዝብሉ ከም ዝርከቡዎም እቲ ስማ ክዕቀበል ዝሓተተት ዜጋ ገሊፃ። እቲ መፅሓፍ 'ምፅኣት' ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ኣብ ቀረባ ዝተሓተመ ናይ ኣቶ ክብሮም ከምዝኾነት እታ ውልቀሰብ ተመልክት። ቤት ፍርዲ ብዋሕስ ክፍትሑ ምስ ወሰነ እተን ደቀንስትዮ ብፅባሒቱ ክፍትሓ ከለዋ፣ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ግን ናብ ኣዋሽ ኣርባ ከምዝተወሰዱ ካብ ፖሊስ ምስማዖም ትገልጽ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነዚ ጉዳይ ይከታተሎ ኣለኹ ይብል። ምስዚ ጉዳይ ኣተሓሒዞም ንድምጺ ኣመሪካ ሓበሬታ ዝሃቡ ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ዝኾኑ ኣቶ ሃይሉ ከበደ ብወገኖም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኣዲስ ኣበባ ንተወላዶ ትግራይ ናይ ምእሳር ምንስቓስ ከምዘሎ ተዛሪቦም። ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ምክትል ኮማንደር ማርቆስ ታደሰን ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ፈደራል ፖሊስ ጀይላን ኣብዲን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ኣፍልጦ ከም ዘይብሎም ኣመልኪቶም ኣለዉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B5%E1%8B%B5%E1%88%AB%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%88%80-%E1%8B%B0%E1%88%83%E1%8B%A9-%E1%8A%A8%E1%88%9D-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8B%AD%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A9\/6660306.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ጋምቤላ ሰዓታት እቶ እቶ ምእዋጁ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ክልል ጋምቤላ፣ ሰዓት እቶ እቶ ምእዋጁ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን’ቲ ክልል ኡገቱ ኣዲንግ ኣፍሊጡ። እቲ ካብ ሰዓት ክልተ ናይ ምሸት ክሳብ ንጉሆ ሰዓት ሓደ ዝትግበር ሰዓት ሕላፍ፣ ንኣምቡላንስን መካይን ኣኽበርቲ ጸጥታን ከምዘይምልከት እቲ ዜና ሓቢሩ። ዝሓለፈ ወርሒ፣ እቲ መንግስቲ ሸኔ ብምባል ዝጽውዖ ንገዛእ ርእሱ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ውድብ ምስ ግንባር ነጻነት ጋምቤላ ተሓባቢሮም፣ ኣብ ከተማ ጋምቤላ ምስ ሓይልታት መንግስቲ ከምዝተታኾሱ ዝዝከር እዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/gambella--curfew\/6660578.html"} {"headline":"ኲናት ዝፈጠሮ ሰንፈላል ህይወት መንእሰያት ክልል ትግራይ","content":"ኲናት ክልል ትግራይ ንሰላማዊ ህይወት ብዙሓት ዜጋታት ፀልዩ’ዩ። መንእሰያት ድማ ብህይወትን ሞያን ካብቶም ቀንዲ ግዳያት’ዮም። ነቶም ኣብ በበይኑ ሞያ ክነጥፉ ዝፀንሑ መናእሰይ ከመይ ከም ዝተንከፎምን ዘማዛበሎምን ንገለ መንእሰያት ኣዘራሪብና ኣለና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8D%88%E1%8C%A0%E1%88%AE-%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%8D-%E1%88%85%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/6659164.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶም ስጉምቲታት ሰላም ካብ ህወሓት ኣወንታዊ ግብረ መልሲ ኣይረኸበን ክብል ሚ\/ጉ\/ወጻኢ ይገልጽ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንውግእ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰላም ንምፍታሕ ንዝወስዶም ስጉምቲታት፣ ካብ ወገን ህወሓት ኣዎንታዊ ግብረ መልሲ ይዋሃቦ ከምዘየለ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ገሊጹ። ወሃቢ ቃል’ቲ ቤት ዕዮ ኣምባሳደር መለስ ኣለም ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ \"ህወሓት ጽልኢ ምትዂታኽ ቀጺሉ ኣሎ\" ክብሉ'ውን ከሲሶም። ነዚ ክሲ’ዚ ዝነጽግ ህወሓት ብወገኑ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ተሓታቲ ክገብር ጸኒሑ'ዩ። ኣምባሳደር መለስ ኣብ መግለጺኦም ተላዘብቲ ምምዛዝን ካልኦት ስጉምታት ከምዝተወሰደን፣ ብወገን ህወሓት ግና ሰናይ ግብረ መልሲ ስለዘይተራእየ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ተጽዕኖ ክገብር ኣተሓሳሲቦም። \"ብወገን መንግስቲ፣ እቲ ልዝብ ብሕብረት ኣፍሪቃ ኣቢሉ ንክካየድ እዩ ዘሎ ድልየት። ብወገን መንግስቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ድልየት ዋላ’ውን እንተሎ፣ ብወገን ህወሓት፣ ዕዮ ገዛ ላዕለዋይ መሪሕነቱ ግን ጽልኢ ምትዂታኽን ከበሮ ውግእ ምውቃዕ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ከባቢ ተወሳኺ ውግእ ክተኣናግድ ኣይኽእልን። ማሕበረሰብ ዓለም፣ እዚ ጉጅለ’ዚ፣ ናብ መስርሕ ሰላም ንክምለስ፣ ንሰላም ዕድል ንክህብ መታን፣ ግቡእ ተጽዕኖ ንክገብረሉ ንጽውዕ።\" ንሶም ወሲኾም ብገንዘባዊ ድጋፍ ባንኪ ዓለም ኣብ ክልል ትግራይ፣ ፕሮጀክታት ዳግመ-ህንጸት ብሳልሳይ ወገን ንክፍጸም መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስምምዑ፣ ንሰላም ዘለዎ ተገዳስነት ሓባሪ እዩ ይብሉ። ንክሲታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነጽግ ህወሓት ብወገኑ ሓይልታቱ ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝሳሓበ፣ መንግስቲ ከምዝብሎ ተሳዒሩ ዘይኮነስ፣ ብድልየቱን ንሰላም ካብ ዘለዎ ተገዳስነት ከምዝኾነን ምግላጹ ዝዝከር እዩ። ወሃቢ ቃል መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ’ዚ ቀረባ ንቴለቭዥን ትግራይ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ \"ተበግሶ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተባባዕ እዩ\" ኢሎም ነይሮም። ኣቶ ጌታቸው ረዳ \"ብፍላይ ፓርቲ ብልጽግና ምስ ክልል ትግራይ ንዘሎ ግጭት፣ ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ ብደረጃ ቃል ዝተገለጸ ድልውነት ኣዎንታዊ እዩ ኢልና ኢና ንቅበሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ቃል ዘይንሰምዐሉ፣ ከጥፈአካ እየ፣ ከዕንወካ እየ፣ ክድምስሰካ እየ፣ ናብ ዘበነ እምኒ እምኒ ክመልሰካ እየ ብዘይምቁራጽ ካብ ይዝረበሉ ዝነበረ መኣዝን ወጺኦም ከምዚ ዝበለ ቋንቋ ምቅልሖም ኣዎንታዊ እዩ ኢና ንብል\" ኢሎም። ኣቶ ጌታቸው ወሲኾም \"ብዛዕባ ጽፉፍ ትሕዝቶ መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣዳቂቅና ኣብ ንዛረበሉ ብርኪ ኢና ንርከብ ክንብል ኣይንኽእልን፣ እንተኾነ ፓርቲ ብልጽግና፣ ዝላዘቡ ኣባላት መንነቶም ኣፍሊጡ ኣሎ። እንተኾነ፣ ፓርቲ ብልጽግና፣ ድልየት ሰላም፣ መንግስታዊ መርገጺ ክገብሮ ትጽቢት ዝግበረሉ ይመስለኒ\" ኢሎም። እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ መስርሕ ምምላእ ግድብ ህዳሴ፣ ብመሰረት ዝተታሓዘሉ መደብ ከምዝፍጸም፣ ኣብ ስዑድያ ኣብ ጸገም ወዲቆም ዘለው ኢትዮጵያዊያን ንምምላስ ዝግበር ጻዕሪ ቀጺሉ፣ ዛጊድ ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት ናብ ዓዶም ከምዝኣተው ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ዝላኣኾ ሪፖርት ይጠቅስ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-foreign-minster-presser\/6658960.html"} {"headline":"ርእይቶ ተሳተፍቲ ዓመታዊ ኮንፈረንስ ዋዕላ ወፍሪ ሰላም ተጋሩን ኤርትራዊያንን","content":"2022 ዓመታዊ ኮንፈረንስ ዋዕላ ወፍሪ ሰላም ተጋሩን ኤርትራዊያንን ኣብ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ኣብ’ዚ ቀረባ ምቅንዑ ዝዝከር እዩ። እቲ ኮንፈረንስ ንናይ ሎም ዘበን ዋዕላ ኣብ ትሕቲ ብዙሕነት፣ ግሉጽነት፣ ጠለብ ሕብረተሰብ ኣብ ምምላእን ድሕነት ኣባላት ኣብ ምውሓስን ብዝብሉ ኣርባዕተ ዓበይቲ ነጥብታትተጸምቢሉ እዩ ዛዚምዎ። ንክልተ ተሳተፍቲ ዮርዳኖስ ገብረ መስቀልን መርስኤ ኪዳነን ኣዘራሪብና ኣለና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%89%B0%E1%88%B3%E1%89%B0%E1%8D%8D%E1%89%B2-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%8A%AE%E1%8A%95%E1%8D%88%E1%88%A8%E1%8A%95%E1%88%B5-%E1%8B%8B%E1%8B%95%E1%88%8B-%E1%8B%88%E1%8D%8D%E1%88%AA-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%8B%E1%88%A9%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95%E1%8A%95\/6657541.html"} {"headline":"ድምጺ ኣመሪካ ብመንነቶም ካብ ተኣሲሮም ዝነበሩ ተወላዶ ትግራይ ኣዘራሪቡ","content":"ትካላት ተሓለቅቲ መሰላት ኢትዮጵያ ብሰንኪ መንግስቲ ምስ ሓይልታት ትግራይ ዝኣተዎ ውግእ፣ ኣብ ውሽጣ ትግንፍል ዘላ ሃገር እያ ይብሉዋ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንገሊኦም ሰለልቲ እዮም ድሕሪ ምባሉ ዝሓለፈ ዓመት ብ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ተወላዶ ትግራይ ብዘይ ምጽራይ ተኣሲሮምን ተጋፊዖምን እዮም። ሓደ ንድሕንነቱ ኢሉ መንነቱ ንክዕቀበሉ ዝሓተተ ትግራዋይ \"ፖሊስ ቃሕ ዝበሎ እዩ ዝገብረካ\" ይብል። ከም ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝኣምሰሉ ተሓለቅቲ ትካላት\"ሓይልታት ትግራይ ንርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ክነጥቃዓ ኢና ድሕሪ ምባሎም፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ሕዳር ህጹጽ ጊዜ ኣዋጅ ምስ ተግበረ፣ መንነት ተኮር ማእሰርቲ ወሲኹ እዩ\" ይብሉ። ዝሓለፈ ዓመት ሰነ ሪፖርት ዘውጸአ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብወገኑ \"ኣስታት 15 ሽሕ ተወላዶ ትግራይ ካብ ሕዳር ክሳብ ለካቲት ኣብ ዝነበረ ጊዜ ከምዝተኣሰሩ፣ ካብ መንጎኦም ሸውዓተ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝሞቱ፣ ገሊኦም ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣብ ሚዛን ተፈሪ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተወሰዱን\" ሓቢሩ እዩ። ድምጺ ኣመሪካ ነቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣጋጢሙ ዝተባህለ ሞትን መግሃስቲ መሰላትን ካብ ናጻ ወገን ከረጋግጽ ኣይካኣለን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝምውሎ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ብወገኑ \"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣሲሮም ዝነበሩ ተወላዶ ትግራይ ኩሎም ተፈቲሖም እዮም\" ይብል። ወካሊት’ቲ ኮምሽን ታሪክዋ ጌታቸው \"ንሕና ክሳብ ንፈልጦ፣ ምስ ህጹጽ ጊዜ ኣዋጅ ተታሓሒዙ ዝተኣሰሩ ሰባት ኩሎም ተፈቲሖም እዮም\" ትብል። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-s-arbitrarily-detained-tigrayans-\/6657029.html"} {"headline":"ዓመታዊ ዋዕላ ወፍሪ ሰላም ኤርትራዊያንን ተጋሩን ተካይዱ","content":"2022 ዓመታዊ ኮንፈረንስ ዋዕላ ወፍሪ ሰላም ተጋሩን ኤርትራዊያንን ኣብ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ኣብ’ዚ ቀረባ ተካይዱ ኣሎ። ብመሰረት ኣተሓባበርቲ እቲ ኮንፈረንስ ንናይ ሎም ዘበን ዋዕላ ኣብ ትሕቲ ብዙሕነት፣ ግሉጽነት፣ ጠለብ ሕብረተሰብ ኣብ ምምላእን ድሕነት ኣባላት ኣብ ምውሓስን ብዝብሉ ኣርባዕተ ዓበይቲ ነጥብታት ተጸምቢሉ ተዛዚሙ ኣሎ። ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ዝተሰከሙ ኣቶ ማእከለ መንገሻን ዶ\/ር ነጋሲ መብራህቱን ኣዘራሪብናዮም ኣለና። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%8B%8B%E1%8B%95%E1%88%8B-%E1%8B%88%E1%8D%8D%E1%88%AA-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8C%8B%E1%88%A9%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/6657442.html"} {"headline":"ኮሚተ ልዝብ ሰላም ኢትዮጵያ ፈላማይ ኣኼብኡ ምክያዱ ተገሊጹ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ትግራይ ዝካየድ ልዝብ ሰላም ንምምራሕ ዝመዘዞ ኮሚቴ ፈላማይ ኣኼብኡ ምክያዱ ሓደ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ምግላፆም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ፀብፂቡ። ብምኽትል ቀዳማይ ሚንስትርን ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣቶ ደመቀ መኮነን ዝምራሕ ሸውዓተ ኣባላት ዝሓቖፈ ኮሚቴ ስራሕ ምጅማሩ ኣማኻሪ ሃገራዊ ፀጥታ ቀዳማይ ሚንስትር ኣቶ ሬድዋን ሑሴን ትማሊ ሰሉስ ድሕሪ እቲ ኣኼባ ብትዊተር ኣብ ዘውፅእዎ መልእኽቲ ሓቢሮም ኣለው። ኣቶ ሬድዋን\"ብሕብረት ኣፍሪቃ ንዝምራሕ ዝርርብ ናይ ውሽጢ ኣሰራርሓን ስነ ምግባርን ዝምልከቱ ውሳነ ኣሕሊፉ'ሎ’’ኢሎም ። ገዛኢ ፓርቲ ብልፅግና ዝኾነ ይኹን ዝካየድ ልዝብ ብሕብረት ኣፍሪቃ ጥራሕ እዩ ዝምራሕ ክብል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝገለፆ ሓይልታት ትግራይ ነፂጎምዎ እዮም። ህወሓት ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሰገን ኦባሳንጆ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሎዎም ዝበሎ ቅርበት ስኽፍትኡ ብምግላፅ እቲ ልዝብ ብፕረዚዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ክምራሕ ድልየቱ ምዃኑ ገሊፁ እዩ። ሰብኣዊ ስምምዕ ካብ ዝእወጅ መጋቢት ጀሚሩ ውግእ ጠጠው ኢሉ ኣሎ።ብመሰረት ሓበሬታ ትካላት ረድኤት ክልል ትግራይ ግን ብዘይ መግቢ፣ነዳዲን ኣገደስቲ ኣገልግሎታትን ኣብ ዕፅዋ ትርከብ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-holds-first-meeting-of-peace-committee-\/6657062.html"} {"headline":"ኣብ ዶባት ሰሜን ሸዋ ብዘጋጠመ ግጭት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ምሟቶም ነበርቲ ገሊጾም","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዶባት ዞባ ሰሜን ሸዋን ብሄረሰብ ኦሮሞን ብዝተፈጠረ ግጭት ህይወት ሰባት ምጥፍኡ ተገሊፁ። ኣብ ተዋሰንቲ ዞባታት ሰሜን ሸዋ ወረዳ ኤፍራታ ግድምን ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ ወረዳ ጅሌ ጥሙጋን ብቕድሚ ትማሊ ሶኑይ ብዝተላዕለ ግጭት ኣባላት ፍሉይ ፖሊስ ሓዊሱ ብዓሰርተታት ዝግመቱ ሰባት ምሟቶምን ምቑሳሎምን ምንጭታት ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም። ትኽክለኛ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ግን ኣይተፈልጠን። መንበሪ ኣባይቲ ከምዝተቓፀሉ እውን ሽሞም ክግለፅሎም ዘይደለዩ ነበርቲ ገሊፆም። ካብ መንግስቲ ሓበሬታ ንምርካብ ዝተገብረ ተደጋጋሚ ፃዕሪ ኣይትዓወት: እንተኾነ መበገሲ እቲ ግጭት ዝምልከት ካብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ይኹን ካብ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ ዝፍኖ ክልተ ዓይነት ሓበሬታ እዩ። በቲ ሓደ ወገን ሸኔ ኢሎም ዝፅውዕዎ ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ እዩ ኣበጊስዎ ዝብል ክኸውን ከሎ በቲ ካልእ ወገን ድማ ፈፀምቱ ዕጡቓት መንግስቲ እዮም ክብሉ ይካሰሱ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/conflict-in-ethiopia-amhara-region\/6657081.html"} {"headline":"ትንታነ፤ ሰራዊት ሶማል ኣብ ኲናት ትግራይ ተሳቲፎም ዲዮም?","content":"ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ዑደት ስራሕ ኣብ ኤርትራ ክፍጽሙ ዝቐነዩ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ትማሊ ኣራፊዶም ንሃገሮም ቅድሚ ምምላሶም ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሸውዓተ ነጥብታት ዝሓዘ መዘከር ስምምዕ ፈሪሞም። እቲ መዘከር ንጸጥታዊን ወተሃደራዊን መዳያት ክልቲኣን ሃገራት’ውን ዘጠቓልል’ዩ። ምስ ዑደት ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ተኣሳሲሩ ዝተላዕለን ሓደ ካብቲ ነዊሕ ከዛርብ ዝጸንሐ ድማ ኩነታት ኣብ ኤርትራ ዝስልጥኑ ዝነበሩ ሶማላውያን ወተሃደራትን ኣብ ኲናት ትግራይ ብዛዕባ ምስታፎምን ዘይምታፎምን ዝምልከት ትንታነታት’ዩ። ኤርትራ ኣሽሓት ሶማላውያን መባእታዊን ፍሉይን ወታሃደራዊ ታዕሊም ክትህብ ጸኒሓ’ያ። ሰልጠንቲ ንኣስታት ሰለስተ ዓመት ኣብ ኤርትራ ገይሮም ኣለዉ። ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ኤርትራ ስልጠና ዝወስዱ ዝነበሩ ወተሃራት ሶማል 5,167 ምዃኑ’ዩ። እዚ ኣሃዝ’ኢ ዳሕራይ ብፕረዚደንት መሓመድ ዓብደላሂ ፋርማጆ’ውን ተረጋጊጹ’ዩ። No media source currently available እቶም ቀዳሞት ዙርያ ሰልጠንቲ 19 ነሓሰ 2019 ናብ ኤርትራ ክለኣኹ እንከለዉ፡ እቶም ካልኣይን ሳልሳይን ዙርያ ድማ ኣብ ወርሓት ለካቲትን ሰነን 2020 ዝሰዓቡ’ዮም። እቶም ወታሃደራት ንኤርትራ ክለኣኹ እንከለዉ ብምስጢር’ዩ ተገይሩ። ድሕሪኡ ድማ ካብ ወለዲ፡ ፖለቲከኛታትን ካልኦት ወገናትን ከቢድ ነቕፌታ ኣስዒቡ። ንዕኡ ተኸቲሉ ድማ ሰራዊት ሶማል ብዛዕባ ኣብ ኲናት ትግራይ ምስታፎም ዘይተረጋገጸ ወረታት ክናፈስ ጀሚሩ። እዚ ክሲ ግን ብናይ ቅድም ፕረዚደንት ፋርማጆ ብትሪ ተነጺጉ’ዩ። ድምጺ ኣመሪካ ኣገልግሎት ቋንቋ ሶማል’ውን ብዛዕባ ተሳትፎ ወተሃደራት ሶማል ኣብ ኲናት ትግራይ ዝረኸቦ ጭብጢ የሎን። ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ኣብ ዑደቶም ንሰልጠንቲ ወታሃደራት በጺሖምን ዕዮኦም ምዝዛሞም መጒሶምን። ብመሰረት ካብ ቤተ-መንግስቲ ዝወጸ መግለጺ ድማ ፕረዚደንት ሓሰን ነቶም ወታሃደራት ንሃገሮም ክምለሶም ምዃኑን ኣንጻር ኣል-ሸባብ ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ ድማ ተራ ክህሉዎም ዘለዎም ትጽቢት ጠቒሶም። ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ሓሰን መሓሙድ ህዝቢ ሶማል ገጽ ዝፈትዎም ደቁ ክርኢ ከምኡ’ውን ጸላእቲ ክርዕዱ ምዃኖም ነቶም ወታሃደራት ጠቒሱሎም። ኣብ ቀረባ እዋን፡ ብፕረዚደንት ሓሰን ዝምራሕ ሓድሽ ምምሕዳር ሶማል፡ ገለ ካብቶም ወታሃደራት ኣብ እዋን ልምምድ ከም ዝሞቱ ኣመልኪቱ ነይሩ። ባህርያዊ ሞት ምንባሩ ድማ እቲ ናይ ሽዑ ጸብጻብ ይጠቅስ። ብዝሒ ምዉታት ዝገልጽ ኣሃዝ ግን ኣይተዋህበን። ኣቐዲሞም ዝሃደሙን ኣብቲ ተዓሊም ዝነበሩን ወታሃደራት በበይኑ ቍጽርታት’ዮም ሂቦም። ሓደ ኣርባዕተ ክብል እንከሎ፡ ካልእ ድማ ሸውዓተ ምሟቶም ይሕብሩ። ኣምባሳድር ሶማል ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ዓሊ ሰይድ ፋቂ፡ ሓደ ካብቶም ነቶም ሰልጠንቲ ብኣካል ዝበጽሑ ሰብ-መዚ’ዩ። ኣብ 2019 ድሕሪ ምዕዛቡ ድማ እቶም ተዓለምቲ ተሪር ተዓሊም ይወስዱ ምህላዎም ኣመልኪቱ ነይሩ። ኣብ እዋኑ እቲ መደብ፡ ሰልጢኖምን ብመገዲ ኤርትራ ዓጢቖምን ናብ ሃገሮም ንምምላስ’ዩ ነይሩ። ኣንጻር ኣልሸባብ ኣብ ዝገብር ኲናት ኣበርክቶ ክህሉዎምን ካልእ ጸጥታዊ ስራሕ ወሳኒ ተራ ክጻወቱን ድማ ትጽቢት ተገይሩሎም ነይሩ። ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድ፡ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣንጻር ኣልሸባብ ዝቐንዐ መደብ ሓንጺጹ ነይሩ። እቲ ሓድሽ መደብ ድማ ወተሃደራዊ፡ ኣይዶሎጂያዊን ቍጠባዊን ወገናት ዘጠቓልል’ዩ። መራሒ ኣልሸባብ ግን 'ሕጊ ሸሪዓ' ዘይክተል መንግስቲ ክቃለሱዎ ምዃኖም መሊሱ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/did-somalian-soliders-participate-on-war-on-tigray-region-experts\/6656958.html"} {"headline":"ፕረ. ሶማል ኣብ ኤርትራ ዘካየድዎ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ዑደት ዛዚሞም ተመሊሶም","content":"ብመሰረት ዕድመ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ኤርትራ ንኣርባዕተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዝፈጸሙ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም። ፕረዚደንት ሓሰን ኣብ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ናይ ስራሕ ጻንሖቶም፡ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ተሰንዮም ኣብ በበይኑ ቦታታት በጺሖምን ብሕልፊ ድማ ምስ ኣብ ወታሃደራዊ ታዕሊም ዝምልከት ቦታታት ተዓዚቦምን። ኣብ ስነ-ስርዓት ምርቓ ተዓለመቲ ሶማላውያን ዝተረኽቡ ፕረዚደንት ሓሰን፡ ቀጺሎም’ውን ኣብ መሰልጥኒ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ምስ ሰራዊት ኤርትራ ብምልፋን ናይ ባሕሪን መካናይዝድን ስልጠናታት ክወስዱ ንዝጸንሑ ሶማላውያን ወተሃደራት’ውን በጺሖም። ከም ጸብጻብ መንግስታዊ ምንጭታት እቶም ወታሃደራት ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት’ዮም ኣብ ኤርትራ ክስልጥኑ ዝጸንሑ'ዮም። ፕረዚደንት ሓሰን ሎሚ ንግሆ ቅድሚ ናብ ሃገሮም ምምላሶም፡ ክልተኦም መራሕቲ፡ ንወታሃደራዊ፡ ጸጥታዊ፡ ንግዳዊን ካልእ ዞባዊ ምትሕግጋዝን ዝምልከት ሸውዓተ ነጥብታት ዝሓዘ መዘከር ፈሪሞም። ብመስረት እዚ ከኣ:- 1.ዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት እንተላይ ማሕበረኮማት ዲያስፖራ ምዕዛዝ 2.ሃገራዊ ረብሓታት ክልቲኤን ሃገራት ንምዕቃብን ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያውን ምትሕብባር ንምሕያልን 3.ኣብ ንግዲ፡ወፍሪ፡ውሕስነት ማይ፡ሕርሻ፡ሃብቲ ዓሳ፡ጥዕናን ትምህርትን ፍሉይ ኣተኩሮ ብምግባር ቁጠባዊን ማሕበራዊን ምትሕብባር ንምስፋሕ 4.ኣብ ባህላዊ፡ስነ ጥበባውን ስፖርትን ንጥፈታት ከምኡ’ውን ኣብ ስነ-ፍልጠታዊን ቴክኖሎጅያዊን መዳያት ርክባት ምትሕግጋዝን ምድልዳል 5.ኣብ ምግታእ ተፈጥሮኣዊ ሃስያን ለበዳን ብምትኳር ኣብ ምዕቃብን ምስሳንን ኣካባቢ ምትሕብባር ምዕዛዝ 6. ሰላም፡ርግኣትን ጸጥታን ንምውሓስ ኣብ ምክልኻልን ጸጥታን ምትሕብባር 7.ምዉቕ ዝምድና ብምፍጣር፡ንቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ውህደትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓባር ምጽዓት፡ ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ብሓባር ክሰርሑ ‘ዮም እቶም መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ነቲ ስምምዕ ፈሪሞም። No media source currently available ድሕሪ’ቲ ስምምዕ ፕረ.ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓጺር ጋዜጣዊ መግለጺ \"ኣብ ኤርትራ ዘካየድክዎ ምብጻሕን ምስ ክቡር ሓዉ ፕረ.ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘካየድክዎ ርክብን፡ንዝጸንሐ ታሪኻዊን ሕውነታዊን ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ዘደንፍዕ ታሪኻዊ ፍጻመ’ዩ” ክብሉ ገሊጾምዎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5%E1%8B%8E-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%AD%E1%89%A3%E1%8B%95%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%8A%E1%88%B6%E1%88%9D\/6655278.html"} {"headline":"“ንዳግመ-ሕውየት ክልል ትግራይ ዝውዕል መደባት ልምዓት ብሕቡራት ሃገራት ክሰላሰል’ዩ” ሚ\/ሪ ፋይናንስ ኢትዮጵያ","content":"ብዓለማዊ ባንክ ንኢትዮጵያ ዝተዋህበ ናይ $300 ሚልዮን ዶላር ዳግመ-ሕይወት ሓገዝ፡ እቲ ንክልል ትግራይ ዝውዕል፡ ብመገዲ ሕቡራት ሃገራት ክሳለጥ ምዃኑ፡ ንሚኒስትሪ ፋይናንስ እታ ሃገር ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣመልኪቱ። እቲ ብቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ፕሮጀክታት ሕቡራት ሃገራት ክሰላሰል ተመዲቡ ዘሎ ሓገዝ ኣብ ዳግመ-ህንጸት መሰረታዊ ኣገልግሎት፡ ሕውየት ንጾታዊ መጥቃዕቲ ዝወረደን ደቀንስትዮን ህንጸት ትሕተ-ቅርጺን ክውዕል ምዃኑ እቲ ዜና የመልክት። ከም መግለጺ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኢትዮጵያ፡ ሕቡራት ሃገራት ነቲ መደባት ዝከታተሎ፡ ውሑስ ኣገባባት ብመገዲ እቲ ክልል ክሳዕ ዝፍጠር ምዃኑ’ዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%8B%B3%E1%8C%8D%E1%88%98-%E1%88%95%E1%8B%8D%E1%8B%A8%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8B%8D%E1%8B%95%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%8B%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%8D%E1%88%9D%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%95%E1%89%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%B0%E1%88%8D-%E1%8B%A9-%E1%88%9A-%E1%88%AA-%E1%8D%8B%E1%8B%AD%E1%8A%93%E1%8A%95%E1%88%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/6655456.html"} {"headline":"ክታበት ቫይረስኮሮና ኣብ ክልል ትግራይ ምጅማሩ ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ወፍሪ ክታበት ኣንጻር ኮቪድ-19 ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ብምትሕብባር ውድብ ጥዕና ዓለምን ተራድኦ ህፅናት ዓለም (ዩኒሰፍን) ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ን1.6 ሚልዮን ህዝቢ ክብጻሕ ትጽቢት ተገይሩዎ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%89%B3%E1%89%A0%E1%89%B5-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%8C%85%E1%88%9B%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6654086.html"} {"headline":"ኣብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ 6 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ወረዳ መተማ ሹመት መንዱቃ ኣብ ዝተባህለ ጣቢያ \"ጥሩፋት ዕጡቓት ሱዳንን ኢትዮጵያን’’ ብዝተባህሉ ኣካላት ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም ካልኦት ሓሙሽተ ድማ ከምዝቖሰሉ ናይቲ ከባቢ ሰበስልጣንን ግዳያትን ተዛሪቦም። እቲ መጥቓዕቲ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ለይቲ ከምዝተፈፀመ ዝሓበሩ ሰበስልጣን ልዕሊ 30 ኣባይቲ ተቓፂሉን ልዕሊ 1,700 እንስሳት ድማ ከምዝተወሰዳን ሓቢሮም። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድንን መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፈታህ ኣልቡርሓንን ኣብ ናይሮቢ ድሕሪ ምርኻቦም ብስሩዕ ዕጡቓት ዝፍፀሙ መጥቓዕታት ደው ምባሎምን ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ወጥሪ ምቕናሱን ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ኣቶ ቢክስ ወርቄ ገሊፆም። ኣብቲ መጥቓዕቲ ሓይልታት ህወሓትን ዕጡቓት ቅማንትን ተሳቲፎም ክብሉ እቶም ዋና ኣመሓዳሪ ከሲሶም።ነዚ ዳሕረዋይ ክሲ ካብ ዕጡቓት ትግራይን ቅማንትን ዝተውሃበ ርእይቶ እንተዘይሃለወ እውን ዕጡቓት ትግራይ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ኣብ ከባቢ ዶብ ሱዳን ምስ ዝተፈጥሩ ግጭታት ዝተኣሳሰረ ዝቐርቡ ክስታት ኣሉታዊ መልሲ ክህቡ ጸኒሖም'ዮም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%B6%E1%89%A5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%98-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-6-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/6653939.html"} {"headline":"ውድብ ባይቶና ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ኣይተ ክብሮም በርሀ ምእሳሮም ኣፍሊጡ","content":"ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ዝኾኑ ኣይተ ክብሮም በርሀ ትማሊ ሰንበት ምሸት ምእሳሮም'ቲ ውድብ ኣፍሊጡ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ክፍሊ ሕጊ እቲ ውድብ ዝኾኑ ኣይተ ዮሴፍ ሃይለስላሴ ኣርኣያ ፖሊስ መጀመርታ ንበዓልቲ ቤቱ ከምዝሓዙን: ንዓኣ ዝሓዝሉ ምኽንያት ድማ ንበዓል ቤትኪ ፀውዕዮ ዝብል ከምዝኾነ : በዓልቲ ቤቱ ከም ተትሓዘት ዝፈለጠ ኣቶ ክብሮም፡ ባዕሉ ከይዱ ኢዱ ከም ዝሃበ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ኣቶ ክብሮም ምኽንያት መእሰሪኡ እንታይ ከምዝኾነ እቲ ውድብ ኮነ ፖሊስ ኣይገለፀን። ድምጺ ኣመሪካ ንበዓልቲ ቤት ኣይተ ክብሮም ንምርካብ ዝገበረኦ ጻዕሪ ኣይተዓወተን። ወሃቢ ቃል ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ምኽትል ኮማንደር ማርቆስ ታደሰ ንምኽንያት መእሰሪ ኣይተ ክብሮም ዝምልከት ርእይቶ ክህቡ ሓቲቱ: ንሶም ድማ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ሓበሬታ ከም ዘይብሎምን አጻርዮም መልሲ ከምዝህቡ ሓቢሮም ኣለው። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8B%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%AD%E1%88%93-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%89%B0-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%88%80-%E1%89%B0%E1%8A%A3%E1%88%B2%E1%88%AE%E1%88%9D\/6653681.html"} {"headline":"ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ክግበር ዝጽውዕ ሰልፊ ተካይዱ","content":"ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ኣመሪካዊያንን ተወላዶ ኦሮሞን ነንበይኖም ሰላማዊ ሰልፍታት ኣካይዶም። ተወላዶ ኦሮሞ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ፊት ንፊት ቤት ዕዮ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ሰልፊ ዘካየዱ ክኾኑ ከለው ኢትዮጵያዊያን ኣመሪካዊያንን ኸኣ ትማሊ ኣብ ፊት ንፊት ዋይት ሃውስ’ዮም ነቲ ሰልፊታቶም ዘካየዱ። ክልቲኦም ወገናት ነንበይኖም ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ኦሮሞን ኣብ ልዕሊ ኣባላት ብሄር ኣምሓራን ተፈፂሙን ይፍፀም ኣሎን ንዝበልዎ ምግሃሳትን ቅትለትን ብምቅላሕ ዕላማ’ቲ ሰላማዊ ሰልፍታቶም መንግስቲ ኣመሪካ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተሓባበሩን ኣካላት ኣብ ልዕሊ መንግስት ኢትዮጵያ ፀቅጢ ክገብር ንምሕታት ምኻኑ ተዛሪቦም’ለዉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8B%E1%88%BD%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%89%B0%E1%8A%95-%E1%8B%B2%E1%88%B2%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8C%B8%E1%89%95%E1%8C%A2-%E1%8A%AD%E1%8C%8D%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%8C%BD%E1%8B%8D%E1%8B%95-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%89%B0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/6651234.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ካብ አባላት ፓርላማ ዝቐረበሎም ሕቶታት መልስን መብርሂን ሂቦም","content":"ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ነቶም ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝተፈፀሙ ክልተ ቅትለታት ተሓታቲ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ምዃኑን ክገልፁ ከለዉ ብኣንፃሩ እቲ ግንባር ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዝወረደ ቅትለት ተሓታቲ ንመንግስቲ እዩ ይብል። እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ዝገለፁ ትማሊ ኣብ ቤት ምኽሪ ካብ ወከልቲ ህዝቢ ዝቀ፟ረቡሎም ሕቶታት መልስን መብርህን ኣብ ዝሃቡሉ እዋን እዩ ። ኣብቲ እዋን ምስ ህወሓት ንምዝታይ ፓርቲኦም ብዛዕባ ዝበፅሓሉ መደምደምታ ተሓቲቶም መልሲ ሂቦምሉ ኣለዉ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ትማሊ ሓሙስ ንኣባላት ቤት ምኽሪ ኣብ ዝገበርዎ መደረ ኣብ ቀረባ አብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ ዝተፈፀሙ ክልተ መጥቃዕትታት “እኩይ ሓይልታት\" ዝፈፀምዎ “ኢሰብኣዊ ዓመፅ\" ክብሉ ብምኹናን ጀሚሮምዎ ። እዚ ዋዕላ ቤትምኽሪ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ወከልቲ ህዝቢ ነቶም ግዳያት ናይ ሕልና ፀሎት ብምክያድ ነቲ ተግባር ዘፃሪ ኮሚቴ ድሕሪ ምጥያሱንን ዝሰዓበ እዩ ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ዳርጋ ኩሉ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ዝነበሮም ፃንሒት ኣብዚ ጉዳይ ዝጠመተ እዩ ነይሩ ። ኣባላት ቤት ምኽሪ'ውን እቲ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ሰባት ዝወርድ ዘሎ ኢሰብኣዊ ቅትለታትን ብመዳይ መንግስቲ ዝውሰዱ ዘለዉ ስጉምትታትን ዝምልከቱ ዘልዓልዎም ሓያሎ ሕቶታት መልሲ ክወሃቦም ተገይሩ እዩ ። \"ኣብ ኢትዮጵያ ንዝፍፀሙ ቅትለታት ሓደ ሓደ ከምዝብልዎ ካብ ዘይምግዳስ ፣ መንግስቲ ሓላፍነቱ ስለዘይዋፃእ ተገይሩ ክውሰድ የብሉን ። መንግስቲ ህይወት ዜጋታቱ ንምሕላው 24 ሰዓት ዘይተሓለለ ፃዕሪ የካይድ'ሎ። በዚ ድማ ህይወት ብዙሓት ዜጋታት ከትርፍ ክኢሉ እዩ።ብርግፅ ዘይበፃሕናሎም ዝሰኣናዮም ዜጋታት ከምዘለዉ ርዱእ እዩ ። ይኹንምበር ኣብ ዝተፈጥረ ነፍሲ ወከፍ ፀገም መዓልታዊ ህይወቶም ዝህቡ ሓይልታት ፀጥታን ወታሃደራትን ሓይልታት ፖሊስን እውን ከምዘለዉ ክትርድኡ ይግባእ። እዞም ደቅኹም ህይወቶም ዝህቡ ዘለዉ ዓዶምን ህዝቦምን ስለዝፈትዉ እዮም ።መንግስቲ ሰላም ህዝቡ ከስፍን ግድን እዩ ኢልኩም ልክዕ ኢኹም ህዝቢ'ውን ግን ዝመረፅ መንግስቲ ዝህቦ ፍታሕን ክርዳእን ክሕግዝን ይግባእ።\" ነቶም ኣብ ቀረባ ዝተፈፀሙ ጅምላዊ ቅትለታት ተሓታታይ “ኦነግ ሸኔ “ እናበሉ ዝፅውዕዎ ጉጅለ ምዃኑን ምምሕዳሮም ድማ ኣብ ልዕሊኡ ስጉምቲ ይወስድ ከምዘሎ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር እንተገለፁ'ውን ንርእሱ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ እናበለ ዝፅውዕ ጉጅለ ግና ነቲ ክሲ ብተደጋጋሚ ክነፅጎ እዩ ዝስማዕ ። ብኣንፃሩ ንሓይልታት መንግስቲ ተሓተቲ ይገብር ። ዓለምለኸ ውሃቢ ቃ፟ል “ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ\" እናበለ ንባዕሉ ናይ ዝፅውዕ ጉጅለ ምዃኖም ዝዛረቡ ኦዳ ታርቢ ኣብ ወረዳ ቄለም ወለጋ ዝተፈፀመ ጅምላዊ ቅትለት መንግስቲ ዘዕጠቆም ምልሻ ከምዝፈፀምዎን መንግስቲ ናብቲ ኸባቢ ዝለኣኾም ሰራዊት'ውን እንተኾኑ እቲ ቅትለት ንኸይፍፀም ዝገበርዎ ፃዕሪ የለን ክብሉ ኣብ ናይ ትዊተር ገፆም ጽሒፎም ኔሮም ። ንሶም ከምዚ እንተበሉ'ውን ድምፂ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም መሰኻኽር ዓይኒ ግና “ሸኔ” እናበሉ ዝገለፅዎ ጉጅለ ከምዝፈፀሞ ገሊፆምሉ እዮም። ከምኡ'ውን ካብ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ብዝረኸብዎ ሓበሬታ መሰረት ፈፃሚ እዚ ተግባር ንባዕሉ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ እናበለ ዝፅውዕ ዕጡቃ፟ት 'ሸኔ' ምዃኖም ንድምፂ ኣሜሪካ ዝተዛረቡ ኮምሽነር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶ\/ር ዳንኤል በቀለ እቲ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ቄለም ወለጋን ዝፍፀም ዘሎ ብሄር መሰረት ዝገበረ ቅትለት መንግስቲ ብቅ፟ልጡፍ ቁፅሪ ሓይልታት ፀጥታ ኣብቲ ኸባቢ ክውስኽ ፃውዒት ምቅ፟ራቦም ዝዝከር እዩ። ከምኡ'ውን ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ፣ ዘይወገናዊ ዓሚቅ፟ መርመራ ከካይዱ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘተሓሳሰበ ኮይኑ፤ ገለ ተቃ፟ወምቲ ፓርትታት ፖለቲካ'ውን ዘይሻራዊ መርመራ ክግበር ሓቲቶም እዮም ። ኣብቲ ናይ ትማሊ ውዕሎ ቤት ምኽሪ እውን ካብ ኣባላት ወከልቲ ህዝቢ ዝተልዓሉ ተወሰኽቲ ሕቶታት እቲ ኣብ ልዕሊ ዝፁሃን ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ተሳተፍቲ ዝኾኑ ኣብ መሓውር መንግስቲ ዝርከቡ ውልቀሰባት ከምዝርከብዎ ዝሕብር እዩ ነይሩ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ነዚ ዝስዕብ መልሲ ሂቦም: \"ብመዳይ ፀላእትና ዝስርሑ ስራሕቲ ኣለዉ ሓደ ሓደ ሰባት ካብቲ መሓውር ይዕድጉ ፤ እዚ ሰብ ሓቢሩዎም ይሰርሕ ፣ የበላሹ ። ኣብ ዝሓለፈ ዘቅ፟ረብኩዎ ሪፖርት ከምዝገለፅኩዎ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ካብ 5000 ዘይነኣሰ ሰብ መርሚርና ኣፅሪና ገሊኡ ተኣሲሩ ገሊኡ ካብ ስልጣኑ ክቅ፟ነስ ተገይሩ። ካብዚ ወፃኢ ግን ብፕሮፖጋንዳ ዝውሰድ ስጉምቲ የለን ። ካባኹም ዝሐሸ ሓበሬታ ስለዘለና።\" እዞም ዝፍፀሙ ዘለዉ ቅትለታት ሃገር ንምፍራስ ዝተዋሃቦም ልእኽቶ ሒዞም ኣካል ተግባር ሽብር ዝፈፁሙ ዘለዉ ምዃኖም ዝገለፁ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ መንግስቲ'ውን ነዚ ብምርዳእ መሓዉር ፀጥትኡ ብዝለዓለ ደረጃ የዳልው ከምዘሎ ተዛሪቦም ። ኣብቲ ብሰኑይ ዝተፈፀመ ጅምላዊ ቅትለት ቁፅሪ መወቲ ንምፍላጥ ዝግበር ፃዕሪ ኣገልግሎት ስልኪ እቲ ኸባቢ ብምቁራፁ ኣፀጋሚ ከምዝገበሮን ሕቶታትን ቅሬታታትን ሰባት ክውስኽ ይገብሮ ከምዘሎ እዩ ፀብፃባት ዘመልክቱ ። ካልእ ብመልክዕ ሕቶ ዝቀ፟ረበ ሓሳብ ፓርቲ ብልፅግና ምስ ህወሓት ንምዝታይ ብዛዕባ ዝተበፅሐ ውሳነ ዝምልከት ነበረ። \"ፈለማ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝብን ኩልግዘ ብሙሉእ ድምፂ ንሰላምን ውግእን እንውስኖ ውሳነ ንሃገራዊ ጥቅ፟ምና ዝምልከት ክኸውን ከሎ እዩ። ናይ ብልፅግና ፓርቲ ዝብል ዘሎእኮ ሰላም ነስፍን እዩ። ሰብ ንቅ፟ተል ኣይበለን ። ንምንታይ ኢና ንፀልኦ። ካልእ እዚ ክቡር ቤት ምኽሪ ክፈልጦ ዝግባእ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝመርሖ ዘሎ ፓርቲ ብልፅግና እዩ።\" ብመዳይ ብልፅግና ዝተበፅሐ ናይ ምዝታይ ውሳነ ብኣወንታዊ መልክዑ ከምዝከታተሎ ዝገለፀ ህወሓት ቅድመ ኩነት ብምቅ፟፟ማጥ ንምዝታይ ድሉው ምዃኑ ምግላፁ ዝዝከር እዩ። ሻድሻይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቀዳማይ ዓመት ዘመን ስራሕ መበል 16 ስሩዕ ጉባኤኡ ዓመታዊ በጀት 2015ን 786.6 ቢልየን ብር ክኸውን ንዝቀ፟ረበሉ መደብ ብዓብላሊ ድምፂ ድሕሪ ምፅዳቅ፟ ናይ መወዳእታ እዚ ዓመት ጉባኤኡ ዛዚሙ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%88%8B%E1%88%9B-%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%88%A8%E1%89%A0%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%88%95%E1%89%B6%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B5%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%82%E1%8A%95-%E1%88%82%E1%89%A6%E1%88%9D\/6650670.html"} {"headline":"ኮሚሽን ሰ\/መሰላት ኢትዮጵያ ፈጻሚ ኣብ ወለጋ ዝተኻየዱ ቅትለታት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ\/ሸኔ'ዩ ኢሉ","content":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባታት ወለጋ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ዝተፈፀሙ ቅትለታት መንግስቲ ኢትዮጵያ 'ሸኔ' ኢሉ ዝፅውዖ ንገዛእ ርእሱ ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ዕጡቕ ጉጅለ እዩ ፈፂሙዎ ኢሉ። እቲ ኮሚሽን ነዚ ዝገለፀ ካብ ሰነ 2013 ክሳብ ሰነ 2014 ዘሎ ዓመታዊ ፀብፃብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሎሚ ዓርቢ ወግዓዊ ኣብ ዝገበረሉ እዩ። ንገዛእ ርእሱ ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ዕጡቕ ጉጅለ ግን ነቶም ክስታት ይነፅጎም። ኮሚሽነር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶክተር ዳንኤል በቀለ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ብሓይልታት መንግስትን ካብ መንግስቲ ወፃኢ ብዘለው ዕጡቓት 'ኣዚዮም ዝኸፍኡ’ ኢሎም ዝፀውዕዎ መግሃስታት ምፍፃሞም ነቲ ፀብፃብ ኣብ ዘቕረቡሉ እዋን ሓቢሮም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8D%88%E1%8C%BB%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8C%8B-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B1-%E1%89%85%E1%89%B5%E1%88%88%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%8C%BD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9E-%E1%88%B8%E1%8A%94-%E1%8B%A9-%E1%8A%A2%E1%88%89\/6650955.html"} {"headline":"ኣብ ዞባ ኮንሶ 8 ህጻናት ብሕጽረት መግቢ ምሟቶም ሓደ ሆስፒታል'ቲ ከባቢ ሓቢሩ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ዞባ ኮንሶ ሸሞንተ ቆልዑት ብሕፅረት መግቢ ምሟቶም ሆስፒታል ካራት ኣፍሊጡ። ልዕሊ 400 ሰባት ብሕፀረት መግቢ ተጎዲኦም ኣብቲ ሆስፒታል ይሕከሙ ከምዘለው እቲ ሆስፒታል ወሲኹ ኣፍሊጡ ኣሎ። ናይቲ ዞባ ቤት ፅሕፈት ሕርሻን ድልዉነት ሓደጋን ኣብቲ ዞባ ልዕሊ100,000 ሰባት ህፁፅ ረድኤት መግቢ ከምዘድልዮም ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጹ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%8A%AE%E1%8A%95%E1%88%B6-8-%E1%88%85%E1%8C%BB%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%95%E1%8C%BD%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%88%86%E1%88%B5%E1%8D%92%E1%89%B3%E1%88%8D-%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6650848.html"} {"headline":"ኮሚሽን ሰ\/መሰላት ኢትዮጵያ ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት መሓውራት ዜናን ዝተሓዝሉ ቦታ ክፍለጥ ኣተሓሳሲቡ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ፣ ፌዴራላዊን ክልላዊን መሓውራት ጸጥታ፣ ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት መሓውራት ዜናን ዝተትሓዝሉ ቦታ ብህፁፅ ከፍልጡ፣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቡ። እቲ ኮሚሽን ወሲኹ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተትሓዙ ሰባት ተኣማኒ ክሲ ዘይቐርብ እንተኾይኑ ድማ ብህፁፅ ንክፍትሑ ሓቲቱ። ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ቴሌቭዥን ክልል ትግራይ ከምዝተኣሰሩ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ድምጺ ኣመሪካ ምፅብፃቡ ይዝከር። እቶም ጋዜጠኛታት ምስ ፀላእቲ ተሓባቢሮም ተባሂሎም ከምዝተኣሰሩ ካብ ስድራታቶምን ካብ ጠበቓን ዝረኸብናዮ መረዳእታ የርኢ። ቤት ፅሕፈት ከተማ መቐለ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ እቶም ጋዜጠኛታት ብሞየኦም ዘይኮነስ ብገበን ተጠርጢሮም እዮም ዝተኣሰሩ ኢሉ ነይሩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%8D%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8B%9C%E1%8A%93%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%93%E1%8B%9D%E1%88%89-%E1%89%A6%E1%89%B3-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%88%88%E1%8C%A5-%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%B3%E1%88%B2%E1%89%A1\/6649367.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ዶ\/ር ኣስቴር ኣለምሰገድ ኣብ ሕማም ኵሊት","content":"“ሕማም ኵሊት” ዝብል ሓፈሻዊ ኣዘራርባ ንብዙሓት ናይ ተወርሶን ዝማዕበለን ዓይነታት ሕማም ዝጠቅስ’ዩ። ንጠንቅታቱ፡ ኣገባብ መከላኸሊታትን ካልእ ምስኡ ዝተኣሳሰር ጉዳያትን መብርሂ ክትህበና ንዶክተር ኣስቴር ኣለምሰገድ ንመደብ ጥዕና ኣዘራሪብናያ ኣለና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B4%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%B0%E1%8C%88%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%95%E1%88%9B%E1%88%9D-%E1%8A%B5%E1%88%8A%E1%89%B5\/6649119.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ወረዳ አማሮ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ 3 ሰባት ምሟቶም ነበርቲ ሓቢሮም","content":"ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ፣ ፍሉይ ወረዳ ኣማሮ፣ ቀበሌ ዳኖ፣ ዕጡቃት ብሰንኪ ዝፈጸምዎ መጥቓዕቲ፣ ሰለስተ ሓረስቶት ከምዝተቀትሉ፣ ቤተሰቦም ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም። እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ብዝሐን ዘይተፈልጠ ጥሪት ከምዝተወሰዳ’ውን ጠቂሶም። እቶም ነበርቲ፣ ፈጻሚ እቲ መጥቓዕቲ፣ኢሎም ዝኸስዎ ነቲ ሸኔ ዝብልዎ ንገዛእ ርእሱ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ አካል እዩ። ብቴለፎን ግብረ መልሲ ዝሃበ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ግና ነቲ ክሲ ነጺግዎ ኣሎ። ናይ’ቲ ወረዳ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ህድኣትን ኣቶ ብሩክ ኣየለ፣ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ሰለስተ ሓረስቶት ከምዝተቀትሉ፣ ክልተ ካልኦት ሓረስቶት ከምዝቆሰሉን፣ ጥሪት 12 ቤተሰብ ከምዝተዘረፋ ሓቢሩ'ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B3-%E1%8A%A0%E1%88%9B%E1%88%AE-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-3-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/6647680.html"} {"headline":"ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ንዝፍጸሙ መጥቓዕቲታት መፍትሒ ዘናድይ ኮሚቴ ምቛሙ ሓቢሩ","content":"ፓርላማ ኢትዮጵያ፣ ኣብ’ታ ሃገር ንዝፍጸሙ መጥቓዕታትን ፍታሕን ዘናድይ ሓደ ኮሚቴ ከምዘቆመ ገሊጹ። እቲ ፓርላማ ኣብ ናይ ሎሚ ረቡዕ ሓምለ 7,2022 ኣኼብኡ፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ዝፍጸሙ መጥቓዕታት መኺሩ፣ ኣብ ኩሉ ከባቢታት’ታ ሃገር፣ ሞትን መቁሰልቲን ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ንብረት መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ብሕጊ ንክሕተቱ ጸዊዑ ኣሎ። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ኣብ ዞባታት ወለጋን ከባቢኣን፣ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ንክትግበርን፣ ኣብ ትሕቲ ፌደራላዊ መንግስቲ ንክኣቱን፣ ሰልፊ ብሄራዊ ንቅናቄ ኣምሓራ ጸዊዑ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%88%8B%E1%88%9B-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%8D%8D%E1%8C%B8%E1%88%99-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%92-%E1%8B%98%E1%8A%93%E1%8B%B5%E1%8B%AD-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B4-%E1%88%9D%E1%89%9B%E1%88%99-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6647697.html"} {"headline":"መንግስቲ ምስ ህወሓት ብዝበጽሖ ስምምዕ ሰብኣዊ ሓገዝ መሰረት ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ይበጽሕ ምህላው ዩኒሴፍ ይገልጽ","content":"ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ትካል ህጻናት ኣድሕን ሕቡራት ሃገራት ኣቐዲሙ ዕጽው ናብ ዝነበረ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ይኣትው ምህላው ሓቢሮም። ንሶም መንግስቲ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝበጽሖ ስምምዕ ሰብኣዊ ሓገዝ መሰረት ሓገዛት ህይወት ኣድሕን ንኣማኢት ኣሽሓት ዝኸውን ህዝቢ ይበጽሕ ኣሎ ኢሎም። ቤልጂየም ዝመደብሮም ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ገንት ከምዝበልዎ እቲ ዝተኻየደ ውግእን ዘስዓቦ ጥምየትን ካልኦት ብተዘዋዋሪ ዘጋነፉ ሳዕቤናትን ኣስታት ፍርቂ ሚልየን ህዝቢ ኣብ ክልል ትግራይ ምሟቶም ይሕብር። እዚ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ንዝፈፀምዎ መጥቃዕቲ ግብረመልሲ ንምሃብ ብዝብል ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ 4 ሕዳር 2020 ንትግራይ ድሕሪ ምውራሮም ዘጓነፈ እዩ። No media source currently available ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈቶም ምስ ድምፂ ኣሜሪካ ቃለ መሕተት ዘካየዱ ተወካሊ ትካል ህጻናት ኣድሕን ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ኣብ ኢትዮጵያ ጃንፍራንኮ ሮቲግሊያኖ ነቲ ብመዳይ መንግስቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተኣወጀ ስምምዕ ሰብኣዊ ሓገዝ ስዒቡ ለውጥታት ምህላዎም ይገልጹ። ንሶም ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 170 ዓበይቲ ናይ ፅዕነት መኻይን ናብቲ ቅድም ክብል ተዓፅዩ ዝፀንሐ ከባቢ ከምዝኣተዋን ኣብ ወርሒ ስጋብ 1000 ናይ ፅዕነት መኻይን ዝኣትዋሉ ኩነታት ክዓቢ ትፅቢት ከምዝግበን ይሕብሩ። ሮቲግሊያኖ መጠን ተሓጋዚ ኣዝዩ ብዙሕ ምዃኑ ኣብ ትግራይ ልዕሊ 5-ሚልየን ዝኸውን ህዝቢ ንዓለምለኸ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፅበይ ምዃኑ ይሕብሩ። ከምኡ እውን ተወሳኺ 7-ሚልየን ህዝቢ ድማ በቲ ኲናትን ኣብ ዝተጠቅ፟ዓ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ከምዝርከብ ሮቲግሊያኖ ይዛረቡ። \"ዝተሰረቑ፣ዝዓነው ትሕተ ቅርጺ ዳግም ንምፅጋን ዝዓበየ ስራሕ ይፅበየና።ኣብ ገሊኡ ከባቢታት ዘሎ ሕፅረት ቀረባት ድማ ቆልዑ ኣገልግሎት ጥዕናን ክታበትን ከይረኽቡ ኣፀጋሚ ይገብሮ ኣሎ።ብዙሕ ኣብያተ ትምህርቲ ስለዝተዓፀው ኣብቲ ክልል ቆልዑ ንዝገደደ ሓደጋ ምዝመዛን ፆታዊ በደልን ዝተቓልዑ እዮም።\"\\n\\nከም ገምጋም ዩኒሴፍ ከባቢ 400፣000 ዝፅግዑ ህፃናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብሕፅረት ዝተመጣጠነ መግቢ ይሳቀ፟ዩ ምህላዎም የርእይ። ብሕፅረት ዝተመጣጠነ መግቢ ናብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ሓደጋ ዝወደቁ፟ 80,000 ህፃናት ኣብዚ ዓመት ሕክምናዊ ሓገዝ ዝተገብረሎም ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ተመሳሳሊ እዋን ዝነበረ 36,500 ክነፃፃር ከሎ ኣዝዩ ኣብ ዝበኣሰ ኩነታት ከምዝርከብ የርእይ። ሮቲግሊያኖን ንድምፂ አሜሪካ ከምዝበልዎ ቀዳምነት ክወሃቦም ዝግብኡ ንመግቢ ፣ ዘርኢን ዘመናዊ ድኹዒን ሓዊሱ ከም ዶክተራት ፣ ነርስታት ዝበሉን ካልኦትን ኣዝዮም ወሰንቲ ኣገልግሎት ወሃብቲ ወርሓዊ መሃያ ተኸፊዎም ዘይፈልጥ ሰራሕተኛታት ሲቪል ዝኸውን ገንዘብ የድሊ ። እቲ ኻልእ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጉዳይ ድማ ሕፅረት ቀረብ ነዳዲ እዩ ይብሉ። \"እዚ ዓብይ ፀገም እዩ፤ምኽኒያቱ ፀገም ነዳዲ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣይኮነን።ዓለምለኸ ዛዕባ እዩ።ከም ዝፍለጥ ኲናት ዩክሬን ምስተላዕለ ዋጋ ነዳዲ ወሲኹን ቀረብ ነዳዲ እውን ነክዩን እዩ።ስለዚ እዚ ክውንን ገጢሙና ዘሎን ዓብይ ጉዳይ እዩ።\" ሮቲግሊያኖሕፅረት ቀረብ ነዳዲ ከጋጥም ከሎ ኣብ ትግራይ ብሚልዮናት ንዝቁ፟ፀሩ ሰባት ኣብ ምብፃሕ ህይወት አድሕን ሓገዛት ዝለዓለ ሓደጋ ከብፅሕ ከምዝኽእል የጠንቅቁ፟ ። ገምጋም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ ድልየት እቲ ክልል ንምምላእ መግቢ ፣ መድሓኒትን ፣ ዘይመግባዊ ናውትን ነዳድን ዝፀዓና 100 ዓበይቲ መኻይን መዓልታዊ ናብ ትግራይ ክኣትዋ ከምዝግባእ ይሕብር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%8C%BD%E1%88%96-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%88%A8%E1%8B%B5%E1%8A%A4%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%AD%E1%89%A0%E1%8C%BD%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%88%B4%E1%8D%8D-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%BD\/6646238.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ምስ መራሒ ሱዳን ኣል ቡርሓን ምርኻቦምን ፍልልያቶም ብልዝብ ክፈትሑ ምርድዳኦምን ኣፍሊጡ","content":"ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ናይሮቢ ምስ መራሒ ሱዳን ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሓኒ ከምዝተራኸበን ፍልልያቶም ብልዝብ ንምፍታሕ ቃል ከምዝኣተውን ኣፍሊጡ። እቲ ዝርርብ ዝስማዕ ዘሎ፡ ካርቱም፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ንወተሃደራተይ ማሪኾም ረሺኖምም ዝብል ክሲ ድሕሪ ምቕራባ`ዩ። ኣዲስ ኣበባ ነቲ ክሲ ነጺጋቶ`ያ። ዶ\/ር ኣቢይ ኣብቲ ምስ መራሒ ሱዳን ብሓደ ተሳኢሎም ዘርኢ ናይ ትዊተር መልእኽቱ “ሃገራትና ብሰላም ናይ ምፍታሕ ብዙሕ ናይ ምትሕብባር ረቛሒታት ኣለወን” ኢሉ። ኣስዒቡ ቀ\/ሚ ኣብይ“ሓባራዊ ዝምድናና ኪንዮ ፍልልያትና`ዩ፡ ነቲ ዘሎ ጸገም ድማ ብሰላም ብልዝብ ክንፈትሖ ተሰማሚዕና ኣለና“ ኢሉ። እቶም መራሕቲ ሱዳንን ኢትዮጵያን ንዋዕላ ኢጋድ ናብ ኬንያ ምስከዱ`ዮም ተራኺቦም። ካብ ሱዳን ብላዕላዋይ ቤት ምኽሪ ዝወጸ መግለጺ ድማ “ ቡርሓንን ኣቢይን ናይ ዕጹው ማዕጾ ኣኼባ ጌሮም” ዝብል መልእኽቲ ጥራይ ኣሕሊፉ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%92-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%8D-%E1%89%A1%E1%88%AD%E1%88%93%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%BB%E1%89%A6%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%8D%8D%E1%88%8D%E1%88%8D%E1%8B%AB%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%8D%88%E1%89%B5%E1%88%91-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8B%B5%E1%8B%B3%E1%8A%A6%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6646037.html"} {"headline":"ቀ\/ሚን ደባይ ተዋጋእቲን ኣብ ክልል ኦሮምያ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ቅትለት ይካሰሱ","content":"እቲ ዳሕረዋይ ‘ጭፍጨፋ’ ካብ ኣዲስ ኣበባ 250 ኪ.ሜትር ርሒቓ ኣብ ትርከብ ቁሸት ቄለም ወለጋ ከምዝተፈጸመ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዘውጸኦ መግለጺ ይሕብር። ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላትን ‘ጭፍጨፋ’ ክብሉ ንዝገለጽዎ ቅትለት፣ እቲ ዝተፈንጨለ ዕጡቅ ሓይሊ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ እዩ ፈጺምዎ ኢሎም ይኸሱ። ቀ\/ሚ ኣብይ\"ካብ መጥቓዕቲ ሰራዊት መንግስቲ ዝሃደሙ ኣባላት ጉጅለ ሸኔ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምዕራብ ወለጋ መጥቓዕቲ ፈጺሞም፣ ህዝቢ ቄለም ወለጋ ተጨፍጪፉ እዩ\" ኢሎም። ነዚ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቀርብ ክሲ ዝነጸገ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኦዳ ታርቢል ግና \"ነቲ ማሕረድቲ\" ክብል ዝገለጾ ተግባር ዝፈጸሙ መንግስቲ ዘዋፈሮም ሚልሻታት'ዮም፣ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝተዋፈሩ ፌደራላዊ ሰራዊት ድማ ነቲ ተግባር ንምቁጽጻር ዝወሰድዎ ስጉምቲ ኣይነበረን\" ይብል። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ እዚ ተጋራጫዊ መግለጺታት’ዚ ግና ብሳልሳይን ናጻን ወገን ንምርግጋጽ ከምዘይተኸኣለን ወሃቢ ቃል መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ርእይቶ ንክህበሉ ዝተኻየደ ጻዕሪ'ውን ከምዘይሰለጠ ይገልጽ። ወሃቢ ቃል መንግስቲ ለገሰ ቱሉ ብወገኖም ጽጹይ ሓበሬታ ኣይሃቡን። ቤት ጽሕፈት ቀ\/ሚ፣ ብዝሒ ዝተቀትሉ ሰላማዊያን ሰባት ኣይጠቀሰን። ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝቆመ ማሕበር ተወላዶ ኣምሓራ ግና እቶም ዝተቀትሉ ካብ 150 ክሳብ 160 እዮም ዝብል ግምት ይህብ። ቀ\/ሚ ኣብይን እሙናት ሓይልታቶምን ውግእ ናይ ትግራይ ንከብቅዕ ድልየቶም ከምዝኾነ ዋላ’ውን እንተገለጹ፣ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዘሎ ምፍሳስ ደም፣ ኣብ መላእ’ታ ሃገር ዝፍጠር ዓሌታዊ ጎንጺ፣ ንጻዕሪታት ምቁራጽ ግጭት ሕድ ሕድ ስግኣት ኮይኑ ከምዘሎ ሓባሪ እዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A%E1%8A%95-%E1%8B%B0%E1%89%A3%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%8B%8B%E1%8C%8B%E1%8A%A5%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8B%9B%E1%8B%95%E1%89%A3-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%98-%E1%89%85%E1%89%B5%E1%88%88%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8A%AB%E1%88%B0%E1%88%B1-\/6645901.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ ሸዋሮቢት ኣብ መንጎ ሰልፈኛታትን ሓይልታት ጸጥታን ብዝተላዕለ ግጭት 6 ሰባት ምሟቶም ነበርቲ ይገልጹ","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ ከተማ ሸዋ ሮቢት፡ ኣብ መንጎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዝወጹን ሓይልታት ጸጥታን ዝተፈጥረ ግጭት ሽዱሽተ ሰባት ምቕታሎም ነበርቲ ይገልጹ። ለንቅነ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ዞባ ጊንቢ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንምቅዋም ዝሓለፈ ሓሙስ ንዝተኻየደ ሰልፊ ኣተሓባቢርኩም ዝተባህሉ ሰባት ድሕሪ ምእሳሮም ግጭት ምውልዑ እቶም ነበርቲ ይገልጹ። እቶም ተሰለፍቲ፡ ኣብ ወለጋ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ኣምሓራ ዝተፈጸመ ቕትለት ንኹንን ዝብል ጭርሖ ሒዞም ከምዝነበሩ`ዩ ይግለጽ'ሎ። ድሕሪኡ ዘሎ መዓልቲ ዝተኣስሩ ይፈቱሑልና ዝብሉ ሰባት ምስ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ግጭት ከምዝኣተዉ እቲ ሓበሬታ ይገልጽ። ሰበ-ስልጣን ምምሕዳር ሸዋ ሮቢት ብዛዕባ'ቲ ዝተባህለ ቕትለት ንድምጺ ኣመሪካ ምላሽ ክህቡ ኣይተረኽቡን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%B8%E1%8B%8B%E1%88%AE%E1%89%A2%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8E-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%88%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-6-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B9\/6645947.html"} {"headline":"ኣብ ወረዳ ደራሼ ሓይልታት ጸጥታ ብዝወሰድዎ ስጉምቲ 6 ሰባት ምቕታሎም ስድራ መወቲን ሓቢሮም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ወረዳ ደራሼ ሓይልታት ጸጥታ ዝሓለፈ ሰሙን ብለይቲ ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ሽዱሽተ ሰላማዊያን ሰባት ተቐቲሎም ክብሉ ቤተሰብ መወቲ ምዃኖም ዝሓበሩን ኣብቲ ከባቢ ከምዝነበሩ ዝዛረቡን ሰባት ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም። በቲ መጥቃዕቲ ብኸቢድ ዝቖሰሉ ከምዘለዉን ዝተታሕዙ ከምዘለዉን ከምኡ`ውን ሓደ ቆልዓ ዝተቐትለ ከምዘሎ እቶም መሰኻኽር ይገልጹ። ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ደቡብ ኣለማየሁ ማሞ፡ እቲ ተወሲዱ ዝተባህለ ስጉምቲ ትኽክል ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ዝተቐትሉ ከምዘለዉ፡ 18 ዝኾኑ ዝተኣስሩ ከምዘለዉን ኣረጋጊጹ ፡ዝተቐትለ ቆልዓ ብዛዕባ ምህላዉ ግን ዝፈልጦ ከምዘይብሉ ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቡ። እቲ ኮምሽነር ፖሊስ ኣስዒቡ እቶም ሰባት ምስ ሓይልታት ጸጥታ ግንባር ገጢሞም ዝተታኾሱ ገበነኛታት`ዮም ኢሉ'ሎ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B3-%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%BC-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8B%B5%E1%8B%8E-%E1%88%B5%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%89%B2-6-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%B3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%88%B5%E1%8B%B5%E1%88%AB-%E1%88%98%E1%8B%88%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/6646009.html"} {"headline":"ጋዜጠኛ ለምለም ተስፋይ ዓሪፋ","content":"ንዝሓለፉ 28 ዓመታት ኣብ ሬድዮ ኢትዮጵያ መደብ ቋንቋ ትግርኛ ብብሞያ ጋዜጠኝነት ዝሰርሐት ለምለም ተስፋይ ኣብ መበል 60 ዓመት ዕድሚኣ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልያ። ካብ ኣቦኣ ኣቶ ተስፋይ ተፈሪን ካብ ኣዴኣ ወ\/ሮ ዘነበች ወልደማርያምን ኣብ ከተማ ዓድዋ 1 መስከረም 1954 ዓ.ም ኣቆጻጽራ ግእዝ ዝተወልደት ለምለም ተስፋይ፡ ካብ 1 ሰኔ 1986 ዓ.ም ጀሚራ ኣብ ሬድዮ ኢትዮጵያ፣ ፕሮግራም ትግርኛ ካብ ሪፖርተርነት ክሳብ ኣሰናዳእነት ኣብዘለው መደባት ሰሪሓ። ካብ 1 ታሕሳስ 2013 ጀሚራ ካብቲ ትሰርሐሉ ዝነበረት ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን ኢትዮጵያ ብጡረታ ድሕሪ ምፍናዋ፡ ኣብ ሕክምናዊ ሓለዋ ዝጸንሐት ጋዜጠና ለምለም፡ ኣብ መበል 60 ዓመት ዕድሚኣ ትማሊ 27 ሰኔ 2014 ዓሪፋ። ስርዓተ ቀብሪ ጋዜጠኛ ለምለም ተስፋይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ዮሴፍ ቤተክርስቲያን ሎሚ ሰሉስ ድሕሪ ቐትሪ ተፈፂሙ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B-%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%B5%E1%8D%8B%E1%8B%AD-%E1%8B%93%E1%88%AA%E1%8D%8B\/6646065.html"} {"headline":"ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ቀ\/ሚ ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝን ዶ\/ር ወርቅነህ ገበየሁ ምስክርነት ክህቡ ኣዚዙ","content":"ላዕለዋይ ፌደራል ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ኃይለማርያም ደሳለኝን ዋና ፀሐፊ ኢጋድ ዶ\/ር ወርቅነህ ገበየሁን ኣብ መዝገብ ክሲ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ብኣካል ቀሪቦም ንኽምስክሩ ኣዚዙ። እቲ ቤት ፍርዲ ነዚ ትእዛዝ ዝሃበ ቅድም ክብል እቶም ናይ ምክልኻል መሰኻኽር ብቨርቹዋል ቴክኖሎጂ (ብርሕቐት) ክምስክሩ ይኽእሉ እዮም ኢሉ ንዝሃቦ ትእዛዝ ብምልዋጥ እዩ። ኣብዚ ናይ ክሲ መዝገብ ምስክርነት ከህቡ ዝድለዩ ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት'ውን ብሚኒስትር ምክልኻል ሀገር ካብዘለውዎ ተደልዮም ክቐርቡ እቲ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ። ዋና ዳይሬክተር ሜቴክ ናይ ዝነበሩ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ጠበቓ ዝኾኑ ኣቶ ሃፍቶም ከሰተ ንድምፂ ኣመሪካ ከምዝገለፅዎ ካብ መንጎ እቶም ኣብ መዝገብ ክሲ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ናይ ምክልኻል ምስክርነት ክህቡ ዝድለዩ ሰባት ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስትር ዝነበሩ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝን ዋና ፀሐፊ ኢጋድ ዶ\/ር ወርቅነህ ገበየሁን ይርከቡዎም። ቅድሚ ሕጂ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ኣብዚ ናይ ክሲ መዝገብ ምስክርነት ንኽህቡ መፀዋዕታ ተገይሩሎም ብዘይምቕራቦም፣ ቤት ፍርዲ ተኣሲሮም ንኽቐርቡ ትእዛዝ ሂቡ ከምዝነበረ ጠበቓ ሃፍቶም ከሰተ ይገልፁ። ኣማኻሪ ሕጊ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝኾኑ ኣቶ ዘሪሁን ዋዛ ብወገኖም እቶ ቀዳማይ ሚኒስትር መፀዋዕታ ቤት ፍርዲ በፂሑዎም ከምዘይፈልጥ ንድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም። ቤት ፍርዲ ተኣሲሮም ይቕረቡ ዝብል ትእዛዝ ምስሃበ ግን ኣቶ ሃይለማርያም ካብዘለኹዎ ዓዲ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ክምስክር ይፈቐደለይ ብምባሎም፣ እቲ ቤት ፍርዲ ንሓሳቦም ተቐቢሉ ንሶምን ካልኦት ኣብ ወፃኢ ዘለው መሰኻኽርን ብቪድዮ ኮንፈረንስ ንኽምስክሩ ን30 ጥሪ 2014 ዓ.ም ቆፀሮ ሂቡ ምንባሩ ኣቶ ሃፍቶም ገሊፆም ኣለው። እቲ ቤት ፍርዲ ነዚ ትእዛዝ ብምልዋጥ ኣቶ ሃይለማርያም ብኣካል ቀሪቦም ይመስክሩ ዝብል ትእዛዝ ሂቡ ኣሎ። ኣብዚ ናይ ክሲ መዝገብ ምስክርነት ክህቡ ዝድለዩ ዋና ፀሐፊ ኢጋድ ዶ\/ር ወርቅነህ ገበየሁ'ውን ቅድም ክብል ብኣካል ቀሪቦም ንኽምስክሩ ዝተዋህበ ትእዛዝ ተፈፃሚ ብዘይምኻኑ፣ ሎሚ ንኻልኣይ ጊዜ ብኣካል ቀሪቦም ምስክርነት ክህቡ እቲ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ ኣሎ። እቲ መፀዋዕታ ብሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣቢሉ ክበፅሖም'ውን ትእዛዝ ተዋሂቡ ኣሎ። ብተመሳሳሊ ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ናይ ምክልኻል መሰኻኽር መፀዋዕተኦም ብፖስታ ክለኣኸሎምን፣ ብኣካል ቀሪቦም ክምስክሩን እቲ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ። ብተወሳኺ ኣብ መዝገብ ክሲ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ክምስክሩ ዝድለዩ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሚንስትሪ ምክልኻል ሃገር ካብዘለውዎ ተደልዮም ክቐርቡን ብኣካል ተረኺቦም ምስክርነት ክህቡን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኣዚዙ ኣሎ።እቶም ናይ ምክልኻል መሰኻኽር ብእዋኑ ተረኺቦም ዘይምምስካሮም ነቲ ከይዲ ፍርዲ የደንጉዮ ከምዘሎ ጠበቓ ሃፍቶም ከሰተ ገሊፆም ኣለው ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8B%E1%8B%AD-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%88%83%E1%8B%AD%E1%88%88%E1%88%9B%E1%88%AD%E1%8B%AB%E1%88%9D-%E1%8B%B0%E1%88%B3%E1%88%88%E1%8A%9D%E1%8A%95-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%85%E1%8A%90%E1%88%85-%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%8B%A8%E1%88%81-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%85%E1%89%A1-%E1%8A%A3%E1%8B%9A%E1%8B%99\/6644676.html"} {"headline":"ሓረስቶት ክልል ትግራይ ብዛዕባ ሕርሻ ሎሚ ዓመት ርእይትኦም ይህቡ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ክራማት ሎሚ ዓመት ዘመናዊ ድኹዒ ኾነ ምሩጽ ዘርኢ ብዘይ ምእታው ምህርቶም ብዝለዓለ ብርኩ ክንኪ ከምዝኽእል ሓረስቶት ትግራይ ይዛረቡ'ለዉ።\\n\\nኣብ ዞባ ምብራቅ'ቲ ክልል ሓረስቶት ጻዕዳእምባን ሰውሓሳዕስዕን እዋን ክራማት ሓረስቶት ከመይ ይውግኑ'ለዉ ዝብል ኣዘራሪብናዮም ኣለና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6644862.html"} {"headline":"መግለጺ ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያ ብልጽግናን ህወሓትን ኣብ ልዝብ ሰላም","content":"ፓርቲ ብልፅግና ፀገም ሰሜን ኢትዮጵያ ንምፍታሕ ንዝግበር ልዝብ ብኣወንታ ከምዝከታተሉዎ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።\\n\\nኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣኼባ ዘካየዱ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴን ፈፃሚ ስራሕን ብልፅግና ፓርቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ነቲ ሽግር ንምፍታሕ ዝግበር ልዝብ ብሕብረት ኣፍሪቃ ክካየድ ምውሳኑ ወግዓዊ ምግባሮም ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8C%88%E1%8B%9B%E1%8A%A2-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%8C%BD%E1%8C%8D%E1%8A%93%E1%8A%95-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%9D%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-\/6644731.html"} {"headline":"ቤት ፍርዲ ጋዜጠኛ ተመስገን ደሳለኝ ብዋሕስ ክፍታሕ ወሲኑ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ሰለስተ ክስታት ዝተመስረቶ ኣዳላዊ መጽሄት 'ፍትህ' ተመስገን ደሳለኝ ብ100 ሺሕ ብር ዋሕስ ሎሚ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክፍታሕ ቤት-ፍርዲ ትእዛዝ ሂቡ። ጠበቓ ጋዜጠኛ ተመስገን ኣብቲ ብይን ክልተ ደያኑ ክፍታሕ ክውስኑ ከለዉ ሳልሳይ ግን ካብኦም ብምፍላዩ ብድምጺ ብልጫ ክፍታሕ ተወሲኑ`ሎ ክብል ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።\\n\\nዓቃቢ ሕጊ ግን ተመስገን እንተተፈቲሑ ካልኣይ ግዜ ናብ ቤት ፍርዲ ዘይክቐርብ ይኽእል`ዩ ዝብል መከራኸሪ ነጥቢ ስለዘልዓለ፡ ቤት ፍርዲ ኣብ እዋን ክርክር- ናብ ወጻኢ ንከይከይድ ዝእግድ ውሳነ ናብ ኢምግረሽን ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%B5%E1%8C%88%E1%8A%95-%E1%8B%B0%E1%88%B3%E1%88%88%E1%8A%9D-%E1%89%A5%E1%8B%8B%E1%88%95%E1%88%B5-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%88%95-%E1%8B%88%E1%88%B2%E1%8A%91\/6644695.html"} {"headline":"ብሉጽ ተዋሳኢ\/ት ንምልላይ ዝተኻየደ ውድድር “መን-ኣውራ” ተዛዚሙ","content":"ብደረጃ ሃገር ናይ ፈለማ ዝዀነ ናይ መድረኽ ድራማን ፊልምን ውድድር ብሉጻት ተዋሳእቲ ‘መን ኣውራ’ ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ሓሙስ 30 ሰነ ምሸት ኣብ ሲነማ ኣዝመራ ብዝተኻየደ ሻዱሻይ መድረኽ ተዛዚሙ። ኣብዚ ውድድር ልዕሊ 100 ተዋሳእቲ ዝተሳተፉ ኰይኖም ኣብ በበይኑ ከተማታት ኤርትራ’ውን ዝሓቖፈ’ዩ ነይሩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%89%E1%8C%BD-%E1%89%B0%E1%8B%8B%E1%88%B3%E1%8A%A2-%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B0-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%8B%B5%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%88%AB-%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%99\/6641642.html"} {"headline":"ቤት ምኽሪ ንግዲ ከተማ መቐለ ኣብቲ ክልል ክፍሊት ንዘይተኸፈሎም ሰራሕተኛታት ክሕግዝ ይጽዕር","content":"ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኲናት ዝሰዓበ ዕጽዋን፡ ሰራሕተኛታት ክልልን ፈደራልን ወርሓዊ መሃያ ከይተኽፍሎም ንኣስታት ሓደ ዓመት ጸኒሖም ኣለዉ። ነዚ ጸገም ዝተረድአ ቤት ምኽሪ ንግዲ ከተማ መቐለ እምበኣር ካብ ሰብ-ዋኒን ብምውጻእ ኣብቲ ጉዳይ ሓገዝ ክገብር ይጽዕር ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%8B%B2-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%8D%88%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%95%E1%8C%8D%E1%8B%9D-%E1%8B%AD%E1%8C%BD%E1%8B%95%E1%88%AD-\/6641616.html"} {"headline":"ግብረ መልሲ ነበርቲ ክልል ትግራይ ኣብ ጉዳይ ዘተ ሰላም","content":"ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ንዘተ ሰላም ዘሎ ቅሩብነት ድሕሪ ምግላጹ፡ ግብረ-መልሲ ህዝቢ ክልል ትግራይ ኣብቲ ጉዳይ ኣመልኪትና፡ ኣብ መቐለን ውቕሮን ንገለ ካብ ነበርቲ ኣዘራሪብና ኣሎና። ስክፍታኦምን ተስፋኦምን ገሊጾም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D\/6641598.html"} {"headline":"\"ጉዳይ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብልዝብ ክፍታሕ ዝኽእል'ዩ\" ኣቶ ደመቀ መኮነን","content":"ጉዳይ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብልዝብ ክፍታሕ ዝኽእል'ዩ ክብሉ ምኽትል ቀዳማይ ሚንስትርን ሚንስትርን ጉዳያት ወጻኢን ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን ትማሊ ሓሙስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከቡ ኣምባሳደራትን ዲፕሎማትን ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣፊሊጦም። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዕጡቃት ሱዳን ኣብ ከባቢ'ቲ ዶብ ኸፊቶሞ ብዝነበሩ ተኹሲ ከቢድ ብረት ኣብ ከባቢ እቲ ዶባ ኣብ ሕርሻ ተዋፊሮም ዝነበሩ ሓያለ ሰብ ሃብቲ ተመዛቢሎም ክብሉ ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ኣቶ ቢክስ ወርቄ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ማሕበራዊ ገጾም ብቋንቋ ዓረብ ኣብ ዘስፈርዎ ጽሑፍ ምርጫ ህዝብታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ሰላምዩ ኢሎም'ለዉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%8B%9D%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%88%95-%E1%8B%9D%E1%8A%BD%E1%8A%A5%E1%88%8D-%E1%8B%A9-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%8B%B0%E1%88%98%E1%89%80-%E1%88%98%E1%8A%AE%E1%8A%90%E1%8A%95-\/6641385.html"} {"headline":"ትንታነ: ኣብ ህልው ፖለቲካዊ ምዕባለታት ቀርኒ ኣፍሪቃ","content":"ኣብ ኩነታት ሰላምን ፀጥታን ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ግጭትን ኵናትን ከምኡ'ውን ዕድላት ልዝብ ኣብ ኢትዮጵያ ዝብሉን ተዛመድቲ ጉዳያትን ፕሮፌሰር ዓወት ወልደሚካኤልን ኣቶ ሙሉ በየነን ትንታንኦም ይህቡ። ፕሮፌሰር ዓወት ወልደሚካኤል ኣብ ኦንታሪዮ ካናዳ ዝርከብ ኲንስ ዩኒቨርስቲ ተመራማራይን ክኢላ ታሪኽን ክኸውን ከሎ ኣቶ ሙሉ በየነ ቅድም ክብል ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ሕጊ ዝነብረ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ኣብ ሃገረ ኖርወይ በርገን ዩኒቨርስቲ ብትምህርቲ ሕጊ ዶክትሬት (PHD) ዘፅንዕ ዘሎን እዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B5%E1%8A%95%E1%89%B3%E1%8A%90-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%88%8D%E1%8B%8D-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%89%A3%E1%88%88%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%88%AD%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83\/6641350.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ይከራኸሩ","content":"ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያ ነቲ ምስ ሓይልታት ትግራይ ዝተኻየደ ውግእ ንኽብቅዕ ዝካየድ ዝኮነ ዓይነት ዘተ ሰላም ብመንጎኛነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክሳለጥ ከምዝደሊ አብዚ ሰሙን ክገልፅ ከሎ ህዝባዊ ወያነ ትግራይ (ህወሓት) ግን ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ እምነት ከምዘይብሉን ነቲ ዘተ ኬንያ ክትመርሖ ከምዝኾነ ከምዝደልይ ገሊጹ እዩ። ሪፖርተር ድምፂ አሜሪካ ካብ ኣዲስ አበባ ተንተንትን ፖለቲከኛታትን ኣብቲ ጉዳይ ዘለዎም ርእይቶን እቲ ዘተ ዝህልዎ ተስፋን ኣመልኪቱ ኣዘራሪብዎም ኣሎ። ሚኒስትር ፍትሒ ዶ\/ር ጌድዮን ጢሞትዮስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ደጊሞም ግልፂ ዝገበርዎ ሕብረት ኣፍሪቃ ምስ ኣመሪካ ብምትሕብባር ነቲ ምስ ህወሓት ዝካየድ ዘተ ሰላም ክመርሕዎ ድልየት መንግስቶም ከምዝኾነ እዩ። ይኹን እምበር ህወሓት ግን ኣብ ልዕሊ ሕብረት ኣፍሪቃ እምነት ከምዘይብሉን ንፕሬዝዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ከምዝመርፅን ኣብቲ ዘተ ሰላም'ውን ወሳኒ ግደ ክፃወቱ ከምዝኽእሉን እዩ ገሊፁ። ንምዃኑ ንምንታይ እዮም እዞም ክልተ ወገናት ኣብዚ ገና ዘይተጀመረ ዘተ ኮይኖም ዝፃረሩ ዘለዉ ነቲ ንመፃኢ ዝካየድ ዘተ'ኸ ከመይ ክፀልዎ ይኽእል፧ ቤልጂየም ዝመደብሩ ትካል መርማሪ ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ ተንታኒ ዊልያም ዴቪሶን ከምዚ ይብል። \"መርገፂ መንግስቲ ክልል ትግራይ ካብቲ ጎንፂ ዝተጀመረሉ እዋን አትሒዙ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ፌደራላዊ መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘካየዶ ወተሃደራዊ ወፍሪ ብዘርኣይዎ ዝተወሰነ ደገፍ ዝመበገሲኡ ይመስለኒ ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ እዋን ሽምግልና ብዙሕ ናይ ምግዳድ ሓይሊ ክህልዎ እዩ ዝብል እምነት ስለዘይብሉ ክቆፃፀሮ ዝኽእል ሽማግለ ስለዝኾነሉ ይመስለኒ።” ዊልያም ዴቪሶን ወሲኹ ዋና ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ'ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይርከብ ይብል። ሶሎሞን ጓዴ ኣብ ኢትዮጵያ ዩኒቨርሲቲ ጂጂጋ መምህር ሕጊ እዮም ። ኬንያ ነቲ ዘተ ፍትሓዊት (ገለልተኛ) ሽማግለ ክትከውን እያ ዝብል እምነት የብሉን። \"ኬንያ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዶባትን ከባቢያዊ ጉዳይተን ዝተተሓሓዘ ምስሕሓባት ኣለዋ እዩ ። ንሱ ምናልባት ገለልተኛ ንኸይትኸውን ተጽዕኖ ክፈጥረላን ሞንጎኛነታ ክፀልዎን ይኽእል እዩ።ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ኬንያ ዝሐሸ ኣካል ክኸውን ዝኽእል ይመስለኒ።\" ዴቪሶን ብወገኑ ከምዚኦም ዝበሉ ዘይምርድዳኣት ዝተለምዱን ክፍትሑ ዝኽእሉን እዮም ይብል ። \"መንግስቲ ኬንያ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን ልኡኻቱን ብምዃን ብሓባር ክሰርሓሉ ዘይኽእል ዝተፈለየ ምኽንያት የለን። ምስቲ ዘሎ ሓደጋ እዚ ፍታሕ ክኸውን ዝኽእል እዩ ።ከምዚኦም ዝበሉ ጭቅ፟ጭቃ፟ት መስርሕ እቶም ተዛተይቲ ካብ ምዝታዮም ንኸየትርፍዎም ጥንቃቀ፟ ምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።\" ኣብቲ ዝካየድ ዘተ ሓደ ሓደ ተንተንትን ፖለቲከኛታትን ዘልዕልዎም ዝተሓላላእኹ ሓሳባት ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ወፃኢ ኣብቲ ጎንፂ ቀንዲ ተሳተፍቲ ንዝነበሩ ብፍላይ መንግስቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምኡ'ውን መንግስቲ ኤርትራ ክሓውስ ኣለዎ ይብሉ ። ሰራዊት ኤርትራ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሓወሱ ኣንፃር ህወሓት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተዋጊኡ እዩ ። ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ዝተኻየደ ውግእ ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝጀመረ ኮይኑ እዚ ድማ ኣብ 2021 ብምኽንያት እቲ ጎንፂ ናብ 5.1 ሚልዮን ዝፅጋዕ ህዝቢ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ እዩ። ኣብ ቤልጅየም ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ገንት ብምኽንያት እቲ ጎንፂ ስጋብ ሕጂ ከባቢ ፍርቂ ሚልዮን ዝበፅሕ ህዝቢ ምሟቱ እዩ ዝሕብር። እዚ ኣብቲ ኲናትን እቲ ጎንፂ ብዝተፈጠሮ ሰብኣዊ ቅልውላውን ንዝሞቱ ዝሓወሰ እዩ ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8E%E1%8A%9D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8B%AD%E1%8A%A8%E1%88%AB%E1%8A%B8%E1%88%A9\/6640403.html"} {"headline":"ኮሚሽን ሰ\/መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ተኣሲሮም ዘለዉ ተወላዶ ትግራይ ብህፁፅን ብዘይ ቅድመ ኩነትን ክፍትሑ ፀዊዑ","content":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ክልል ዓፋር ተኣሲሮም ዘለዉ ተወላዶ ትግራይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብህፁፅን ብዘይ ቅድመ ኩነትን ክፍትሑ ፀዊዑ። ሰብ-መዚ ክልል ዓፋር ግን “እሱራት ዘይኰኑስ ንድሕነቶም ኢልና ኣብ ውሑስ ቦታ ኣቐሚጥናዮም ዘሎና ዜጋታት’ዮም” ክብል ምላሽ ይህብ። መዓስ ናብ መንበሪታቶም ክምለሱ ምዃኖም’ውን ሰብ-መዚ እቲ ክልል ጠቒሶም ኣለዉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD-%E1%89%B0%E1%8A%A3%E1%88%B2%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%89-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B6-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%88%85%E1%8D%81%E1%8D%85%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8B%AD-%E1%89%85%E1%8B%B5%E1%88%98-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%91-%E1%8D%80%E1%8B%8A%E1%8B%91\/6639759.html"} {"headline":"ኣብ ወረዳ ጊምቢ ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ 338 ሰባት ምቕታሎም ሓበሬታ ከምዝበጽሖ ቤት ጽሕፈት ቀ\/ሚ ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ጊምቢ ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ 338 ሰባት ከምዝተቐትሉ ካብ ክልል ኦሮሚያ ሓበሬታ ከምዝበፅሐን ሓላፊት ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ቢልለኔ ስዩም ገሊፀን። በቲ መጥቓዕቲ ሓዘነን ዝገለፃ ቢልለኔ ሰላምን ፀጥታን ቁልፍን ቀዳሚን ኣጀንዳ መንግስቲ ምዃኑ ሓቢረን። ብኻልእ ወገን መንግስቲ ግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ንምፍታሕ ብሕብረት ኣፍሪቃ ንዝምራሕ ናይ ሰላም መስርሕ ድልው'ዩ ኢለን። መንግስቲ ክልል ትግራይ ብናይ ኬንያ ኣካቢነትን እንግዶትን ንዝካየድ ዝርርብ ዝለዓለ ልኡኽ ጉጅለ ንምልኣኽ ድልዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ'ዩ።ብዛዕባ እዚ ዝተሓተታ እተን ወሃቢት ቃል ፕረዚደንት ኬንያ ብሕብረት ኣፍሪቃ ንዝምራሕ ፃዕሪ ሰላም ይድግፉ እዮም ኢለን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B3-%E1%8C%8A%E1%88%9D%E1%89%A2-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%98-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-338-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%B3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%88%93%E1%89%A0%E1%88%AC%E1%89%B3-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%8C%BD%E1%88%96-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8C%BD%E1%88%95%E1%8D%88%E1%89%B5-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6639834.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ መዳጎኒ ዝርከቡ ተወላዶ ትግራይ ኵነታቶም የተሓሳስብ","content":"ሰለስተ ላዕለዎት ፖለቲከኛታት ክልል ትግራይ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ መዳጎንታት ዝርከቡ ተወላዶ ትግራይ ሰብኣዊ መሰሎም ንክኽበር ፀቕጢ ክገብር ንኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ምሕታቶም ገሊፆም። እቲ ኮሚሽን ብወገኑ ነቲ ጉዳይ ይከታተሎ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ኩነታቶም ንህይወት ኣብ ዘስግእ ደረጃ ከምዘሎ ድማ ገሊፁ። ናይ ዘካየዶ ክትትል ውፅኢት ንቕድሚት ከምዝገልፅ ዘፍለጠ እቲ ኮሚሽን፣ ዝምልከቶም ኣካላት ነዚ ጉዳይ ህፁፅ ፍታሕ ክናድዩ ፀዊዑ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣማስያኡ ምክልኻል ሓደጋን ውሕስና መግቢን ክልል ዓፋር ኣቶ መሓመድ ሑሴን ንድምጺ ኣመሪካ ከም ዘመልከቶ፡ እቶም እሱራት ተወላዶ ትግራይ ኣብ መንጎኦም ብጥርጣረ ገበን ዝድለዩ ከም ዘለዉ፡ እንተዀነ እቶም ዝበዝሑ ካብቲ ክወርድ ዝኽእል ነድሪ ህዝቢ ኣብ ውሑስ ቦታ ንምፅናሖም ከም ዝተገብረ ጠቒሱ: ነቲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን እሱራትን ዝቐረበ ክሲ ድማ ካብ ክውንነት ዝረሓቐ ክብል ምላሽ ሂቡ ኣሎ። ዝርዝሩ ኣብ ናይ ጽባሕ መደብና ተኸታትሉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%B3%E1%8C%8E%E1%8A%92-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B6-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%B5%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8B%A8%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%B3%E1%88%B5%E1%89%A5\/6638022.html"} {"headline":"ኮሚሽነር ሕ\/ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ክሃድእን ልዝብ ክካየድን ጸዊዖም","content":"ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ማሓማት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብዝተፈጥረ ወታሃደራዊ ወጥሪ ስኽፍትኦም ብምግላፅ ነቲ ወጥሪ ክሃድእን ልዝብ ክካየድን ምትሕስሳቦም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኤኤፍፒ ሓቢሩ። ርእይቶ ሙሳ ፋቂ ማሓማት ዝስማዕ ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንሸውዓተ ወታሃደራታን ሓደ ስቪልን ቀቲሎም ኢላ ካርቱም ድሕሪ ምኽሳሳ እዩ።ኢትዮጵያ ነቲ ኽሲ ነፂጋቶ ኣላ። መግለፂ ሕብረት ኣፍሪቃ ፋቂ \"ኣብ መንጎ ፌደራላዊ ዴሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኢትዮጵያን ሪፓብሊክ ሱዳንን ዘሎ ወታሃደራዊ ወጥሪን ኣብ ሓባራዊ ዶበን ህይወት ሰብ ምጥፍኡን ብዓሚቕ ስኽፍታ ይከታተሉዎ ኣለው’’ ይብል ። እቲ መግለፂ ወሲኹ \"እቶም ኣቦ መንበር መልዓሊኡ ብዘይገድስ ፍፁም ዝኾነ ዕቃበ ብምርኣይ ኣብ ክልቲአን ኣሓት ሃገራት ዘሎ ዝኾነ ይኹን ምስሕሓብ ንምፍታሕ ክዛተይሉ ተማሕፂኖም’’ ይብል ። ኢትዮጵያ ነቶም ወታሃደራት 22 ሰነ 2022 ኣብ ኣስሓሓቢ ኣል-ፋሻጋ ከምዝሓዘቶም ሱዳን ትኸስስ።ኣዲስ ኣበባ ብወገና ሓይልታት ሱዳን ንዶብ ጥሒሶም ናብ ኢትዮጵያ ብምእታዎም ምስ ሚሊሻ ተታዅሶም ትብል። ጋዜጣ ሱዳን ትሪቡን ሰራዊት ሱዳን ትማሊ ሰሉስ ኣብ ከባቢ ኣል ፋሻጋ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ወታሃደራት ኢትዮጵያ መጥቓዕቲ ምፍፃሙ ፀብፂባ።ወታሃደራዊ ወሃቢ ቃል ሱዳን ናቢል ዓብዳላ ግን ነቲ ዜና ነፂጉዎ። \"ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን መጥቓዕቲ ኣይፈፀምናን፣ኣይንፍፅምን ንምጥቃዕ እውን ኣይተለምናን ግን ናይ ዝኾነት ትኹን ሃገር ወታሃደራዊ ሓይሊ ንዓለምለኸ ዶብና ክሰግር ኣይንፈቅድን።ከምኡ ዝገብር እንተሃሊዩ ክንከላኸል መሰል ኣለና’’ ኢሉ። ኣብ ኣል-ፋሻጋ ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ኣብ መንጎ ጎረባብቲ ሃገራት ብመሬትን ማይን ብፍላይ ድማ ብናይ ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሴ ስፍሕ ዝበለ ወጥሪ ከልዕል እዩ።ሱዳንን ግብፅን ግድብ ዓብይ ህዳሴ ብምቅዋም ኣብ ምምላእ ማይን ምሕደራ እቲ ግድብን ስምምዕ ክግበር ይደፍኣሉ ኣለዋ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8E-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8B%88%E1%8C%A5%E1%88%AA-%E1%8A%AD%E1%88%83%E1%8B%B5%E1%8A%A5%E1%8A%95-%E1%88%8D%E1%8B%9D%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5%E1%8A%95-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%96%E1%88%9D\/6638253.html"} {"headline":"ኣብ ደራሼ ብዝተፈጥረ ህውከት ዝተጠርጠሩ ኣብ ቐይዲ ምእታዎም ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ሓቢሩ","content":" ኣብ ክልል ደቡብ ፍሉይ ወረዳ ደራሼ ህውከት ፈጢሮም፣ ህይወት ክጠፍእን ንብረት ክዓንውን ጌሮም ተባሂሎም ተጠርጢሮም ኣብ ልዕሊ ዝተታሕዙ 300 ሰባት ምርመራ ምዝዛሙ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ፀጥታን ናይቲ ክልል ኣፍሊጡ። ነበርቲ ንቡር ምንቅስቃሳቶም የካይዱ ምህላዎም ንድምጺ ኣመሪካ ብምሕባር ሕጂ'ውን ሓሓሊፉ ድምጺ ተኹሲ ከምዝስማዕ ገሊጾም ኣለው። ፍሉይ ወረዳታት ብዞባ ንምውዳብ ምስ ዝቐረበ ሕቶ ተሳሲሩ ብዝተፈጥረ መጥቓዕቲ 72 ኣባላት ፌደራል ፖሊስን ፍሉይ ሓይሊ ክልልን ከምኡ እውን ኣርባዕተ ሰበስልጣን ከምዝተቐትሉ እቲ ቤት ጽሕፈት ገሊጹ ብውጽኢት'ቲ መርመራ መሰረት ክሲ ንምምስራት ዘኽእል ምዃኑ ሓቢሩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-derashiee-security-situiation-\/6638291.html"} {"headline":"ዓቃብ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛ ተመስገን ደሳለኝ ሰለስተ ክስታት ኣቕሪቡ","content":"ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ማኔጂንግ ዳይረክተር መፅሄት ፍትህ ተመስገን ደሳለኝ ሰለስተ ክስታት መስሪቱ። ዓቃቢ ሕጊ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝወዓለ መጋባእያ ንዝተፈላለዩ ዓንቀፃት ሕጊ ገበን ብምጥቓስ ሰለስተ ተደራረብቲ ክስታት ኣቕሪቡ ኣሎ።እቶም ክስታት ወታሃደራዊ ምስጢራት ሰራዊት ምክልኻል ብምውፃእ፣ናይ ሓሶት መረዳእታታት ብምዝርጋሕን ገበን ክፍፀም ብምልዕዓልን ብምክፍፋልን ዝብሉ እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ህውከትን ዕግርግን ብምልዕዓል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣሲሮም ካብ ዝነበሩ ሰብ ሞያ መሓውራት ዜና ዝተኸሰሰ ብሕታዊ ሰብ ተመስገን ክኸውን ከሎ ዝተረፉ ተፈቲሖም እዮም።ካብቶም ዝተፈትሑ ኣሰናዳኢ ኢትዮ ፎረም ዝኾነ ያየሰው ሽመልስ ትማሊ ዳግም ምእሳሩ ተሓቢሩ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%89%83%E1%89%A5-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%B5%E1%8C%88%E1%8A%95-%E1%8B%B0%E1%88%B3%E1%88%88%E1%8A%9D-%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%8A%AD%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%95%E1%88%AA%E1%89%A1\/6638333.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ነባር ስነ-ጥበባዊ ሰሎሞን ኣለሙ ዓሪፉ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ብዙሓት ናይ ሬድዮን ቴሌቪዥን ድራማታት ብደራስነትን ኣዳላውነትን ዝፍለጥ ነባር ስነ-ጥበባዊ ሰሎሞን ኣለሙ ሎሚ ምዕራፉ መሳርሕቱ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ኣቦ ሓደ ቆልዓ ዝነበረ ሰለሞን ኣለሙ ብናይ ሃንደበት ሕማም ኣብ መበል 62 ዓመቱ ብሞት ተፈልዩ`ሎ። ሰለሞን ኣለሙ “ኣብዬ ዘርጋው\": \"ከዳንኬራው ጀርባ\"፡ \"ሰው ለሰው\" ብዝብላን ካልኦት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ድራማታትን ዘፍረየ ህቡብ ስነ-ጥበበኛ ኔሩ። ጽባሕ ድማ ንዝኽሩ ኣብ ብሄራዊ ትያትር መደብ ከምዘሎ ተሓቢሩ'ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%90%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%8C%A5%E1%89%A0%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%88%B0%E1%88%8E%E1%88%9E%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%88%99-%E1%8B%93%E1%88%AA%E1%8D%89\/6636828.html"} {"headline":"ሚ.ምክልኻል ኢትዮጵያ ብሱዳን ንዝቐረበ ክሲ ይነጽግ","content":"ሚንስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ነቲ ብሱዳን ዝቐረበ ሸውዓተ ወተሃደራተይ ተቐቲሎምኒ ዝብል ክሲ ኣሉታ ሂብሉ። ወሃቢ-ቓል ሚንስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮ\/ሌ ጌትነት ኣዳነ ኣብ መግለጺኡ፡ ናብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ወተሃደራት ሱዳን ምስ ሚልሻታት`ቲ ኸባቢ ምግጫዎም ብምጥቃስ፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ግን ኣብቲ ከባቢ ከምዘይነበሩ ሓቢሩ`ሎ። ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦ ኣመሓዳሪ ምዕራብ ጎንደር ኣቶ ቢሰጥ ወርቀ ብወገኑ፡ ወተሃደራት ሱዳን ብወገን ዓብድራፊን ብወገን ምዕራብ ኣርማጭሆን ካብ ትማሊ ጀሚሮም ናይ ከቢድ ብረት ተኹሲ ምኽፋቶም ኣፍሊጡ`ሎ። ካብ ክልቲኦም ወገናት ዝሞቱ ከምዘለዉ`ውን ሓቢሩ`ሎ። ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተገብረ ግጭት ካብ መንጎ`ቶም ዝሞቱ፡ ምስ ሰራዊት ሱዳን ዝተሰለፉ ዕጡቓት ህወሓት ከምዝርከብዎም`ውን ተዛሪቡ`ሎ። ብህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ነቲ ዕጡቓት ህወሓት ኣብ ጎኒ ሰራዊት ሱዳን ኮይኖም ተዋጊኦም ዝብል ክሲ ኣሉታ ድሕሪ ምሃብ መንግስቲ ንሰላም ዘለዎ ተበግሶ ሓቂ ከምዘይኮነ ዘርኢ`ዩ ክብል መሊሱ`ሎ። ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ወተሃደራት ሱዳን ምስ`ቶም ኣሸበርቲ ዝብሎም ዕጡቓት ህወሓት ብምዃን ናብ ውሽጢ ግዝኣት ኢትዮጵያ ኣትዮም ተኹሲ ከፊቶም ክብል ኣፍሊጡ ኔሩ`ዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%B6%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8A%B9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B2%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%82%E1%89%A6%E1%88%9D-\/6636611.html"} {"headline":"ኣዳላዊ ኢትዮፎረም ዝነበረ ያየሰው ሽመልስ ዳግም ተኣሲሩ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣዳላዊ ኢትዮፎረም ዝነበረ ያየሰው ሽመልስ ብዋሕስ ድሕሪ ምፍትሑ ድሕሪ ሰሙን ዳግም ተኣሲሩ። ኣባላት ጸጥታ ምዃኖም ዝገለጹ ሲቪል ዝተኸደኑ ሰባት ሎሚ ንግሆ ካብ ገዝኡ ከምዝወሰድዎን ክሳብ ሕጂ ድማ ኣበይ ከምዘሎን ከምዘይፍለጥ ጠበቕኡ ሓቢሩ`ሎ። እቲ ኣዳላዊ ኢትዮፎረም፡ ቅድሚ ብዋሕስ ምውጽኡ ረብሻን ሁከትን ኣለዓዒልካ ተባሂሉ`ዩ ተኸሲሱ ኔሩ። ብኻልእ ወገን ኣዳላዊ መጽሔት ፍትሕ ተመስገን ደሳለኝ ሎሚ ክሲ ተመስሪትዎ`ሎ። ጋዜጠኛ ተመስገን ሎሚ ናብ ቤት ፍርዲ ተወሲዱ ኔሩ፡ እንተኾነ ዳኛ ስለዘይነበሩ ንጽባሕ ክምለስ ተቖጺሩ`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%8B%B3%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8D%8E%E1%88%A8%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%8B%AB%E1%8B%A8%E1%88%B0%E1%8B%8D-%E1%88%BD%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B5-%E1%89%A5%E1%8B%8B%E1%88%95%E1%88%B5-%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%91-%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%88%B0%E1%88%99%E1%8A%95-%E1%8B%B3%E1%8C%8D%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8A%A3%E1%88%B2%E1%88%A9\/6636632.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መስርሕ ሰላም ዝዝትይ ጉጅለ ምምዛዙ ኣፍሊጡ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል'ታ ሃገር ንዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ኣብ መስርሕ ሰላም ዝዝትይ ጉጅለ ምምዛዙ ሓቢሩ። ብልጽግና ፓርቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፍል'ታ ሃገር ንዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ኣብ ዝኽተሎ ናይ ሰላም ኣማራጺ ሃገራዊ ጥቕሚ ዘኽብርን ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝዳለውን ክኸውን ምውሳኑ ኣፍሊጡ። ናይ ብልጽግና ፓርቲ ማእከላይ ኮሚቴ አባል ዝኾኑ ዶ\/ር ጊድዮን ጢሞትዮስ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ከም ብልጽግና ፓርቲ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ዝኽተሎም ናይ ሰላም ኣማራጺታት ሕገ መንግስቲ ዘኽበረ ንሃገራዊ ጥቕሚ ብዘኽብር መንገዲ ሕብረት ኣፍሪቃ ብዘዳለዎ መንገዲ ክካየድ ናይቲ ፓርቲ ማእከላዊ ኮሚተን አካያዲ ስራሕን ሓቢሩ'ሎ ኢሎም። በዚ መሰረት ብወገን ፈደራል መንግስቲ ኣብቲ መስርሕ ሰላም ዝዛተይ ጉጅለ ምምዛዙ መሓውራት ዜና ውሽጢ ሃገር ዝበጽሖም ሓበሬታ ይገልጽ። አባላት'ቲ ጉጅለ ኣቶ ደመቀ መኮንን: ዶ\/ር ጊድዮን ጢሞቲዮስ: ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ: ኣምባሳደር ሀሰን ዓብዱልቃድር: ኣምባሳደር ሬድዋን ሀሰን: ሌ\/ጀነራል ብርሃኑ በቀለ ዶ\/ር ጌታቸው ጀምበር'ዮም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8B%9D%E1%89%B5%E1%8B%AD-%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%9B%E1%8B%99-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6635368.html"} {"headline":"መግለጺ ሰለስተ ተቓወምቲ ውድባት ክልል ትግራይ","content":"ውድብ ባይቶና፡ ሳልሳይ ወያነን ውድብ ናጽነትን ትግራይ ዝተባህላ ሰለስተ ተቓወምቲ ሰልፍታት ክልል ትግራይ ኣብ ዘውጽእኦ ሓባራዊ መግለጺ፡ “ህወሓት ኣብ ክንዲ ህዝቢ ትግራይ ወኪሉ ንበይኑ ክዛተ ሕጋዊን ሞራላዊን ሓላፍነት የብሉን፡” ክብላ ከሲሰን። ወሃብ-ቃል ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብወገኖም ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ፈይስቡክ ገፆም ኣብ ዝሃቡዎ ምላሽ፡ “ቅድሚ ክልተ ዓመት ህዝቢ መራሕቱ መሪፁ’ዩ፡” ክብሉ ነቲ ዝወጸ መግለፂ ተቓዉሞም ኣለዉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%88%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/6635076.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ተዓወቲ ሻምፕዮን ኤርትራ 2022","content":"ዓርቢ 24 ሰነ ብናይ ክሮኖ ሜትር ውድድር ዝፈለመ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ትማሊ ሰንበት 26 ሰነ 2022 ፡ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ብዝተኻየደ ናይ 171.1 ኪ.ሜ ናይ ጽርግያ ውድድር ፡ብዓወት ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማት መርሃዊ ቅዱስ ተዛዚሙ። መርሃዊ ቅዱስ ኣብዚ መደረኽ ንካልኣይ ግዚኡ ብምዕዋት ሓዲሽ ናይ ውልቁ ክብሪ ኣመዝጊቡ። ካብ ፈለማ ብናህሪ ዝጀመረ ቅድድም፡ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ብጉጅለታት ክመቓቐልልን ፍልልያት ክስፍሕን ክጸብብን ተራእይሉ ። ኣባል ኣመሪካዊት ክለብ ኢኤፍ ኢድኬሽን ኢዚ ፖስት መርሃዊ ቅዱስ ከኣ ንልዕሊ 100 ኪ.ሜ ንቀዳመይቲ ጉጅለ መሪሑ ብምኻድ’ዩ ንፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጼን ኣኸቲሉ ነቲ ውድድር ተዓዊቱሉ። 111.1 ኪ.ሜ ኣብ ዝሸፈነ ናይ ዓበይትን ትሕቲ 23 ዓመትን ናይ ደቂ ኣንስትዮ ቅድድም ከኣ ፡ኣባል ጋንታ ዞባ ደቡብ ሞናሊዛ ኣርኣያ ንመወዳድርታ ሰፊሕ ጋግ ብምንጻፍ ድርብ ዘውዲ ቻምፕዮን ደፊኣ።ቅሳነት ወልደሩፋአልን ኣድያም ዳዊትን ከኣ 2ይን 3ይን ብምዃን ውድድረን ዛዚመን።ተመሳሳሊ ርሕቐት ኣብ ዝሸፈነ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ደቂ ተባዕትዮ ንያት ርእሶም ንሚልኪያስ ቅዱስን ሳምሶን ሃብተን ኣኸቲሉ ሻምፕዮን ክኸውን ከሎ፡መትከል ገብረገርግሽ ኣብ ጁኒየር ደቂ ተባዕትዮ፡ ሮምና ጉዑሽ ከኣ ኣብ ናይ ጁንየር ደቂ ኣንስትዮ ቻምፕዮን ኮይኖም። ድሕሪ’ቲ ዓወት መርሃዊ ቅዱስ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ ጂሮ ኢጣልያን ኣብ ፈረንሳን ኣድካሚ ውድድራት ድሕሪ ምክያድ ብዘይ ዕረፍቲ ኣብ ሻምፕዮን ኤርትራ 2022 ተወዳዲረ ንክስዕር ጽልዋ ኣይገበረለይን ኢሉ። ካብ ከባቢ ሓሙሻይ ዙር ውድድር ምስ ናትናኤል ተስፋጼንን ናትናኤል ብርሃነን ብምዃን ዝወሰድዎ ናይ ምምቕ ፈተነን ን110 ኪ.ሜ ንበይኑ መሪሑ ናይ ምኻድ ውሳነን ከቢድ ስጉምቲ ከምዝኾነ ዝሓበረ መርሃዊ ቅዱስ ፡ በቲ ናይ ምጽዋር ዓቅሙ መዚኑ ዝወሰዶ ውሳነ ክዕውት ከምዝሓገዞ ገሊጹ፡፡አቲ ዝረከቦ ዓወት ንዕዑን ንጋንትኡን ዓቢ ኣገዳስነት ከምዘለዎ ዝገለጸ መርሃዊ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ነዛ ፍልይቲ ናይ ሻምፕዮን ማልያ ወድዩ ፈልማይ ውድድሩ ከምዘካይድ’ዩ ተዛሪቡ። ነቲ ውድድር ተዳልያትሉ ከምዝኣተወት ዝገለጸት ፡ናይ ዓበይትን ናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ናይ ደቂ ኣንስትዮ ዕውቲ ጓል 19 ዓመት ሞናሊዛ ኣርኣያ ብወገና፡እቲ ካብ ፈለማ ዝወሰደቶ ናይ ምምሏቕ ፈተነ ንሓያላትን ምኩራትን ተቐዳደምቲ በሊጻ ክትዕወት ከምዝኸኣለት ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪባ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ናይ ጁንየር ደቂ ኣንስትዮ ናይ ክሮኖ ሜተርን(ናይ ጊዜን) ናይ ጽርግያን ውድድር ብምዕዋት ሻምፕዮን ከምዝኾነት ጠቒሳ፡ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ናይ ዓበይቲ በዅሪ ሱታፌኣ ድርብ ዓወት ምምዝጋባ ኣብ ቀጻሊ ጉዕዞኣ ዓቢ ዕድል ከምኸፍተላ ዘለዋ ተስፋ ገሊጻ። ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ19 ፡ንሰለስተ ዓመታት ቅድድም ተሓሪምዎ ዝጸንሐ ጎደናታት ኣስመራ ፡ኣብ ዓበይቲ ውድድራት ንውሩያትን ንጽቡቕ ዝና ንዝነበሮምን ወጻእተኛታት ተቐዳደምቲ ብምስዓር ሓዲሽ ታሪኽ ዘመዝገበ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ቢኒያም ግርማይን ካልኦት ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ ንምዕዛብን ምስ ናይ ውሽጢ ሃገር ተቐዳደምቲ ዝገብርዎ ቅልስ ንምርኣይን ፡ኣፍቀርቲ ብሽክለታ ከተማ ኣስመራን ከባቢኣን ፡ኣንጊሆም ናብ ጎደናታት ኣስመራ ብምውጻእ፡ተቐዳደምቲ ብኣውታን ፋጻን ሞራል ብምሃብ ከተባብዕዎምን ሞራል ክህብዎምን ‘ኳ እንተወዓሉ ፡ሻምፕዮን ኤርትራ 2022 ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ተወዳዳርነት ኣይተራእየሉን ክብሉ ተዓዘብቲ ርእይቶኦም ይህቡ ኣለው ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%88%E1%89%B2-%E1%88%BB%E1%88%9D%E1%8D%95%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-2022\/6635345.html"} {"headline":"ሱዳን: ኢትዮጵያ ን7 ዜጋታታ ቐቲላ ክትብል ድሕሪ ምክሳስ ንኣምባሳደራ ስሒባ","content":"ሱዳን: ኢትዮጵያ ሸውዓተ ወታሃደራትን ሓደ ሰላማዊ ሰብን ቀቲላ ክትብል ከሲሳ። ሱዳን ወታሃደራት ኢትዮጵያ ንዝሓዙዎም ወታሃደራትን ሓደ ሰላማዊ ሰብን ቀቲሎም ክትብል ብምኽሳስ \"ናይ ፈረሓት’’ ኢላ ንዝፀውዐቶ ተግባር ግብረ መልስ ከምትህብ ሓቢራ። ሱዳን ብሰንኪ እዚ ሎሚ ሰኑይ ኣምባሳደራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ፀዊዓ ኣላ። ኣብ ቀረባ ዓመታት ብሰንኪ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዝርከብ ኣል-ፋሻካ ዝተባህለ ቦታ ሕርሻ ወጥሪ እናወሰኽ መፂኡ እዩ። ወታሃደራዊ ሓይልታት ሱዳን ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ \"ንኩሎም ሕጊ ኵናትን ልምድታትን ዓለምለኸ ሰብኣዊ ሕግታትን ዝፃረር ተግባር’’ ብምባል ወታሃደራት ኢትዮጵያ ንዝሓዙዎም ሸውዓተ ወታሃደራት ሱዳንን ሓደ ዜጋን ረሺኖምዎ ኢሉ። እቲ መግለጺ ወሲኹ \"ነዚ ናይ ፈርሓት ባህሪ ኣይንሓልፎን፤ ግብረ መልሲ ክንህበሉ ኢና’’ ክብል ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ። ሽሙ ክገልፀሉ ዘይደለየ ወታሃደራዊ በዓል ስልጣን ሱዳን እቶም ወታሃደራት ካብ ናብ ኣል-ፋሻካ ዝቐረበ ከባቢ ተታሒዞም ተወሲዶም ክብል ንናይ ፈረንሳይ ኣገልግሎት ዜና ኤኤፍፒ ገሊፁ ኣሎ። ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ 22 ሰነ 2022ምስ ሱዳን ኣብ ዘራኽብ ሓባራዊ ዶብ ዝተፈፀመ ዘሕዝን ኣጋጣሚ ከምዝፈለጠ ብምሕባር እቲ ኣጋጣሚ ስሩዕ ሰራዊት ሱዳንን ብ’ኣሸባሪ ህወሓትን’ ዝሕገዙ ባእታታትን ናብ ውሽጢ ግዝኣት ኢትዮጵያ ጥሒሶም ድሕሪ ምእታዎም እዩ ተፈጢሩ ይብል ። ነዚ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቐረበ ክሲ ካብ ህወሓት ዝተውሃበ መልሲ የለን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ወታሃደራት ሱዳንን ናይቲ ከባቢ ሚሊሻንን ብዝተፈጥረ ቶኽሲ ብዝጠፍአ ህይወት ከምዝጥዓስ ብምግላፅ ኣብ ቀረባ ምርመራ ክካይድ እዩ ይብል። መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ዝኣተው ወታሃደራት ሱዳን ኮይኖም እናሃለው ብወታሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን ዝወፀ መግለፂ ምኽኑይ ስለዘይኮነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘየማትእ ይነፅጎ ይብል።እቲ መግለፂ ወሲኹመንግስቲ ሱዳን ነቲ ወጥሪ ካብ ዘጎሃህር ስጉምቲ ክቑጠብ ተስፋ ይገብር ይብል። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%B3%E1%88%8B-%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%B3%E1%88%B5-%E1%8A%95%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B3%E1%8B%B0%E1%88%AB-%E1%88%B5%E1%88%92%E1%89%A3\/6635099.html"} {"headline":"መሰኻኽር ዓይኒ ኣብ ቶለ ንዘጋጠመ መጥቓዕቲ 'ደም ምፍሳስ'ዩ' ክብሉ ይሕብሩ","content":"መብዛሕቲኦም ተወላዶ ኣምሓራ ዝኾኑ ኣማኢት ሰባት ኣብዚ ወርሒ`ዚ ኣብ ክልል ኦሮምያ ከምዝተቐትሉ መሰኻኽር ይገልጹ`ለዉ። ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ማሕበር ተወላዶ ኣምሓሩ ንኣሾሸይትድ ፕረስ ከም ዝሓበሮ እንተኾይኑ፡ እቶም ኣብ ጦለ ዝተባህለት ቁሸት ዝተቐትሉ ልዕሊ 500`ዮም። ብኸቢድ ዝዓጠቑ ሰባት ንሓንቲ ንእሽቶ ዓዲ ድሕሪ ምኽባብ ብኣድራጋ ጠያይት ሰባት ክርሽኑ ምጅማሮም ካብቲ መጥቃዕቲ ዘምለጡ ይገልጹ። ኑር ሑሴን ኣብዲ ክዛረብ ከሎ፡ እቶም ዕጡቓት መጀመርያ ከምዘይትንክፉና ነጊሮምና፡ ናብ ሓደ ምስ ኣከቡና ግን ብዘይምሕረት ምርሻን ጀሚሮም ይብል። ኑር ሑሴን ካብቲ ምሕረት ኣልቦ ዝኾነ ጭፍጨፋ ናብ ናሕሲ ገዛ ብምድያብ ከምዘለጠ ይገልጽ። እቲ ቕትለት ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተራእየ ዝኸፍአ ጃምላዊ ቕትለት ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ። ዝሓለፈ ሰነ 18,2022 ኣብ ጦለ ትብሃል ቁሸት ኦሮምያ ዝተራእየ ቅትለት ኣብታ ካብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝቢ ካልአይቲ ዝኾነት ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ዳሕራዋይ ዓሌታዊ ጎንጺ`ዩ ። ዝተፈላለዩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንኣሾሸይትድ ፕረስ ከምዝሓበርዎ፡ኣብኡ ዝወደቐ ሬሳታት ገሊኡ ዛጊት ኣይተላዕለን። ገሊኡ ድማ ኣብ ጃምላዊ መቓብር ክቕበር ተገይሩ`ሎ። መሓመድ ከማል ዝተባህለ ካልእ ምስክር 430 ሰባት ክቕበሩ ከምዝረኣየ ይምስክር። “ሕጻናትን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም ተቐቲሎም” ይብል ። ገሊኦም ኣብ ዝተሓብእሉ መስጊድ ከይተረፈ ተቐቲሎም ክብል የስዕብ። ማሕበር ተወላዶ ኣምሓሩ ኣመሪካ ድማ እቲ ቁጽሪ ግዳያት 503`ዩ ይብል። ነበርትን ሰበ-ስልጣን ኦሮሚያን፡ ነቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ዝኣተወ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ`ዮም ተሓታቲ ዝገብሩ። ወሃቢ ቓል`ቲ ዕጡቕ ጉጅለ ብወገኑ ንዕኡ ብምንጻግ፡ ሰራዊት ፈደራልን ምልሻታት`ቲ ክልል`ዮም ደገፍቲ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኢኹም ኢሎም ኣጥቂዖሞም ይብል። ኢትዮጵያውያን ግን ፈደራል መንግስቲ ስለምንታይ ካብ ከምዚ ዝበለ ዓሌታዊ ቕትለት ከድሕኖም ዘይክኣለ ክብሉ ምሕታቶም ቀጺሎም ኣለዉ። ህቡብ ኢትዮጵያዊ ደራፋይ ቴዲ ኣፍሮ ኣብ ኣብዚ ሰሙን`ዚ ክልተ ደርፊ ኣውጺኡ`ሎ፡፡ ብዛዕባ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ዝተራእየ ቅልውላው ብምጉላሕ ንደርፍታቱ ነቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ ኣወፍዩ`ሎ። ካብ ግጥምታቱ ሓደ “ ኣብ ቅድመይ ክንዲ ጎቦ ዝኸውን ሞት እናሃለወ ስቕታ ተመራጺ ኣይኮነን\" ይብል። ዝሓለፈ ዓርቢ ኣሸሓት ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ነቲ ዝተፈጸመ ቕትለት ብምኹናን፡ ሰልፊ ወጺኦም:ፍትሒ ጠሊቦም ኔሮም። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሓይልታት ጸጥታ ኣንጻር`ቶም ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝተባህሉ ዕጡቓት ወተሃደራዊ ስጉምቲ ይወስዱ ምህልዎም ኣፍሊጡ`ሎ። ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ግን ይጠራጠሩ፡ ምኽንያቱ ቅድሚ ሎሚ`ውን ዕንክሊል ጎንጺ ስለዝርኣዩ። ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ሺመልስ ኣብዲሳ ዝሓለፈ ሓሙስ ክዛረብ ከሎ፡ ኣብ ነብስወከፍ ቦታ ሓለዋ ጸጥታ ምቕማጥ ኣጸጋሚ`ዩ እንተኾነ ግን እዚ ዝውሰድ ዘሎ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ፡ ነቶም ዕጡቓት “ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንኸይንቀሳቐሱ ከልምሶም`ዩ” ኢሉ። ብብዝሒ ህዝቢ ካልኣይ ደረጃ ዝሕዙ ተወላዶ ኣምሓራ ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኣብቲ ውሕዳን ኮይኖም ዝነብርሉ ክልላት ቤንሻንጉል ጉምዝን ኦሮሚያን ብብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ተቐቲሎም`ዮም። ተሓላቒ ኮሚኒቲ ተወላዶ ኣምሓራ ሙሉቀን ተስፋው “ካብ ክልሎም ወጻኢ ዝነብሩ ተወላዶ ኣምሓራ ጸጥትኦም ዝሕሉ ፖለቲካዊ ኮነ ሕጋዊ ውክልና የብሎምን” ይብል። ብሰበ-ስልጣን ክልል ኦሮምያ ከይተረፈ ኣብ ክልሎም ኣምሓርኛ ዝዛረቡ ሰባት ንምጉዳል ከምዝደልዩ ይዝረብ`ዩ ክብል የስዕብ። በለጠ ሞላ ዝተባህለ መራሒ ሓደ ተቓዋሚ ፓርቲ ድማ፡ ኣብ ገዛኢ ፓርቲ ኦሮምያ ምስ ሰራዊት ሓርነት ኦሮምያ ዝደናገጹ ኣባላት ኣለዉ ክብል ይከስስ። ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባቸለት፡ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ነቲ ቅትለት ብዝቐልጠፈን ዘይሻራውን ምጽራይ ክገብርሉ ጸዊዓ`ላ። ሚንስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ `ውን፡ ኢትዮጵያውያን ጎንጺ ክነጽጉን ሰላም ክደልዩን ጸዊዑ`ሎ። ኢትዮጵያ ብዘይካ'ቲ ብቕልጡፍ ዝዓቢ ዝነበረ ቁጠባኣ ዘሰናኸለ ኩናት ክልል ትግራይ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ዝርኣይ ዓሌታዊ ግጭታት`ውን የሳቕያ`ሎ። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ግን፡ ሕጂ`ውን ዝበለጹ መዓልታት ኣብ ቅድሚኡ ከምዘለዉ`ዩ ዝገልጽ። ንሱ ኣብዚ ወርሒ`ዚ ንፓርላማ ሃገሩ ክዛረብ ከሎ “ ኢትዮጵያ ኣብ ጎደና ብልጽግና ከምዘላ ዘጠራጥር ኣይኮነን” ኢሉ። ካብቲ ናይዚ ወርሒ`ዚ መጥቃዕቲ ዝደሓኑ ኢትዮጵያውያን ግን መልሲ ይጽበዩ`ለዉ። ነባሪ ቁሸት ጦለ ኑር ሑሴን፡ \"ብኣምላኽ ነዚ ግዜ ክንሓልፎ ተስፋ ንገብር፡ ግን ንዘለኣለም ምሳና ከይነብር የፍርሕ`ዩ\" ይብል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%B0%E1%8A%BB%E1%8A%BD%E1%88%AD-%E1%8B%93%E1%8B%AD%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B6%E1%88%88-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8B%B0%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%88%B3%E1%88%B5-%E1%8B%A9-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8B%AD%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A9\/6635023.html"} {"headline":"ኣብ ቶለ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ህጻናት ግዳያት ከምዝርከብዎም ነበርቲን ዝተፈላለዩ አካላትን ገሊጾም","content":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ግምቢ ጣቢያ ቶሌ ቅድሚ 10 መዓልታት ብዝተፈፀመ ዘስካሕክሕ መጥቓዕቲ ካብ ዝተቐትሉ ሰላማዊያን ሰባት ህፃናት ከምዝርከቡዎም መሰኻኽር ዓይኒ ዝኾኑ ነበርቲ፣ስድራቤት ግዳያትን መራሕቲ ሃይማኖትን ሓቢሮም። ነበርቲ ወለዶም ካብ ዝሰኣኑ ህፃናት ናይ 10 መዓልቲ ህፃን ይርከቡዎም ይብሉ።ሓደ ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደልዩ ወሃቢ ርእይቶ ወለዶም ብሞት ዝሰኣኑን ኣበይ ከምዘለው ዘይፍለጥን ዝተበተኑ ብዝሒ ቆልዑ ብኣማኢት ከምዝግመቱ ሓቢሮም። ኩሎም ህፃናት ህፁፅ ረድኤት መግቢ ከምዝድልዮም ብምግላፅ ንትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ጻውዒቶም ኣቕሪቦም። እዚ ከምዚ ኢሉ ኣናሃለወ ኣብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርስታት እታ ሃገር ዝርከቡ ተማሃሮ ተወለድቲ ብሄረ ኣምሓራ ነቲ መጥቓዕቲ ኮኒኖም ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B6%E1%88%88-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%88%85%E1%8C%BB%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8C%8D%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/6635177.html"} {"headline":"ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ ኢትዮጵያዊያን ሕጂ'ውን ኣብ መንቀራቕሮ ከምዘለው ይሕብሩ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ዝርከቡ ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ብሰንኪ ሕፅረት መግብን መፅለልን ንዝተዓቁ፟ቡሎም ሓደ ሓደ መዓስከራት ሓዲጎም ይወፁ ኣለዉ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ሰዓት ናብ መንበሪኦም ንምምላስ ዝሓሸ ኣማራፂ ንምዃኑ ዝተረጋገፀ ነገር የለን ክብል የጠንቅ፟ቕ። ከምኡ'ውን ንተወሳኺ ዓለምለኸ ሓገዝ ፃውዒት የቕርብ። ብመሰረት ሓበሬታ ሰበስልጣን ክልል ዓፋር እዚ አብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዱብቲ ዝርከብ ከባቢ 30 ሽሕ ዝኾኑ ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ሒዙ ዝርከብ መዕቆቢ መብዛሕትኦም ነቲ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ፌደራልን ተሓባበርቶምን ዝተኻየደ ውግእ ምኽንያት መንበሪኦም ሓዲጎም ክወፁ ዝተገደዱ ክኾኑ ከለዉ ገሊኦም ድማ ብሰንኪ እቲ ንሚልዮናት ከብትታቶም ዝቀ፟ተለን ብሚልዮን ዝቁፀሩ ኢትዮጵያውያን ንሓደጋ ዘቓልዐን ደርቂ ሃዲሞም ዝወጹ'ዮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%88%AA-%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%95%E1%8C%82-%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%80%E1%88%AB%E1%89%95%E1%88%AE-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%8B%AD%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A9\/6632135.html"} {"headline":"ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕጽረት መግቢ ንምግጣም ጻውዒት ኣቕሪቡ","content":"13 ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሕልፊ ኣብ ክልላት ዓፋር፣ ኣምሓራን ትግራይን ተጸበይቲ ረድኤት ኮይኖም ከምዘለው ዝሓበረ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፣ ኣብ’ዘን ዝቅጽላ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጥቀመሉ 470 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ንክልገስ ተማሕጺኑ። ብዝሒ እቶም ኣብ ሓደጋ ከቢድ ሕጽረት መግቢ ወዲቆም ዘለው ሰባት ብ90 ሚእታዊት ከምዝናሃረን፣ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኣብ ሓደጋ ወዲቆም ዘለው ህዝቢ ናብ 89 ሚልዮን ክብ ከምዝበለ እቲ ዜና ይገልጽ። ዳይረክተር ጨንፈር ቀርኒ ኣፍሪቃ ሚካኤል ዳንፈርድ \"ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ሰሜን ቅድሚ 19 ኣዋርሕ ዝተወለዐ ውግእ፣ 13 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ክልላት ዓፋር፣ ኣምሓራን ትግራይን ተጸበይቲ ሓገዝ ከምዝኾኑ\" ይሕብር። እዚ ትካል ሕ\/ሃ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝቅጽሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ን11 ሚልዮን ህዝቢ ክቅልብ ወጢኑ ኣሎ። ንምዕዋት’ዚ መደብ’ዚ ድማ 470 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልዮ ኣፍሊጡ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%8C%8B%E1%8C%A2%E1%88%99-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%88%95%E1%8C%BD%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%8C%A3%E1%88%9D-%E1%8C%BB%E1%8B%8D%E1%8B%92%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%95%E1%88%AA%E1%89%A1\/6632014.html"} {"headline":"አባላት ፓርላማ ዝሓዘት ጉጅለ ናብቲ ቅትለት ዝተፈጸመሉ ከባቢ ወለጋ ተላኢኻ","content":"ኣፈጉባኤ ፓርላማ ኢትዮጵያ ታገሰ ጫፎ፡ ሓንቲ ኣባላት ፓርላማ ዝሓዘት ጉጅለ ናብቲ ለንቅነ ቅትለት ዝተፈጸመሉ ከባብታት ምዕራብ ወለጋን ጋምቤላን ከምዝለኣኸ ኣፍሊጡ። መንግስቲ እቲ ቕትለት ብዕጡቓት ሸኔ ተፈጺሙ ይብል ። እቶም ዕጡቓት ድማ ነዚ ብምንጻግን ብናጻ ወገን ክጻረ ይጽውዑ። ብመሰረት ሓበሬታ ስበ-ስልጣን ምዕራብ ወለጋ እቲ ኣፈጉባኤ ብተወሳኺ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ`ውን ነቲ ፍጻመ ክምርምሮን ናብ ፓርላማ ጸብጻብ ከቕርብን ሓቲቱ`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%88%8B%E1%88%9B-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%8B%98%E1%89%B5-%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%8A%93%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%89%85%E1%89%B5%E1%88%88%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%98%E1%88%89-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2-%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8C%8B-%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8A%A2%E1%8A%BB\/6631938.html"} {"headline":"ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ሻምፕዮን ክሮኖሜትር ኤርትራ 2022 ኮይኑ","content":"ሎሚ 24 ሰነ 2022 ኣብ መስመር ጸጸራት-ጻዕዳክርስትያን ብዝተካየደ ናይ ውልቂ ናይ ክሮኖ-ሜተር(ናይ ግዜ) ውድድር ኣብ ዝፈለመ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 2022፡ ቢንያም ግርማይ ፡ናይ ዓበይትን ናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ዘውዲ ቻምፕዮን ደፊኡ። 18 ኪ.ሜ ኣብ ዝሸፈነ ናይ ዓበይትን ትሕቲ 23 ዓመት ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ቅድድም ከኣ ፡ኣባል ጋንታ ደንደን ዳናይት ፍጹም ድርብ ዓወት ኣመዝጊባ። በብደረጃ ዕድመኦም ዘውዲ ቻምፕዮን ክሮኖ-ሜተር ዝደፍኡ ዕዉታት፡ ዋንጫ፡ወርቂ መዳልያን ገንዘብን ፡ከምኡ’ውን ንሓደ ዓመት ኣብ ዝባኖም ወድዮም ዝወዳደሩላ ባንዴራ ኤርትራ ዘለዋ ጻዕዳ ናይ ቻምፕዮን ማልያ ተሸሊሞም። እቲ ብተቐዳደምትን ኣፍቀርትን ብሽክለታ ዓቢ ቦታ ዝወሃቦ 170 ኪ.ሜ ዝሽፍን ናይ ጽርግያ ውድድር ፡ሰንበት 26 ሰነ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ክካየድ’ዩ።ኣብ’ዚ ውድድር ከኣ ኣብ መንጎ ፕሮፌሽናላትን ናይ ውሽጢ ሃገር ተቐዳደምትን ናይ “መን ተዓወተ\" ዓቢ ህልኽን ተወዳዳርነት ክረኣየሉ ኣቐዲሙ ተስፋ ተነቢሩሉ’ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8D%8C%E1%88%BD%E1%8A%93%E1%88%8D-%E1%89%B0%E1%89%90%E1%8B%B3%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%89%A2%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%88%9D-%E1%8C%8D%E1%88%AD%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%88%BB%E1%88%9D%E1%8D%95%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%AE%E1%8A%96%E1%88%9C%E1%89%B5%E1%88%AD-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-2022-%E1%8A%AE%E1%8B%AD%E1%8A%91\/6632050.html"} {"headline":"ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ሚልሻታት ሱዳን 30 ንግዳዊ ሓረስቶት ካብ ቦትኦም ኣመዛቢሉ ክብል ይከስስ","content":"ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ፡ ሚልሻታት ሱዳን ብውሕዱ ን30 ዝኾኑ ንግዳዊ ሓረስቶት ካብ ቦትኦም ኣመዛቢሎም ክብል ከሲሱ። ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ቢሰት ወርቀ እቶም ሚልሻ ሱዳን ናብ ከባብታት መተማ ሰጊሮም ንሰላማዊያን ሰባት ኣጥቂዖም ክብል ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ። ከምኡ`ውን ከም ህወሓትን ዕጡቓት ጉሙዝን ዝበሉ ምስቶም ሚልሻታት ሱዳን ይተሓባበሩ`ዮም ኢሉ። ካብቶም ዕጡቓት ግን ዛጊት ዝተሰምዐ ነገር የለን። ብዛዕባ`ዚ ብድምጺ ኣመሪካ ዝተሓተተ ወሃቢ ቓል-ሰራዊት ሱዳን ኮ\/ል ናቢል ዓብደላ፡ መሓውራት ዜና ነቲ ነገራት ልዕሊ ዓቐን ከም ዝነፍሖ ድሕሪ ምግላጽ፡ ሰራዊት ሱዳን ንቡር ሓለዋ ዶብ የካይድ`ዩ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ኸኣ ምስ ኣባላት ሚልሻ ኢትዮጵያ ይጋጮ`ዩ ኢሉ። ኢትዮጵያን ሱዳንን ንዓመታት ኣብቲ ኣል-ፋሻጋ ዝብሃል ልሙዕ መሬት ክሰሓሓባ ጸኒሐን`የን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%88%BB%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-30-%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%8B%B3%E1%8B%8A-%E1%88%93%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%89%B6%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%89%A6%E1%89%B5%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A2%E1%88%89-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8B%AD%E1%8A%A8%E1%88%B5%E1%88%B5\/6631894.html"} {"headline":"ኣብ ከባቢ ራያ ቆቦ ኣብ መንጎ ሓይልታት ህወሓትን ጸጥታ'ቲ ከባቢን ዂናት ምክያዱ ሰበ-ስልጣን'ቲ ከባቢ ይሕብሩ","content":"ኣብ ከባቢ ራያ ቆቦ ኣብ መንጎ ሓይልታት ህውሓትን ፋኖ ተባሂሎም ዝፍለጡ ጸጥታ`ቲ ከባብን ኣብዚ ሰሙን`ዚ ዂናት ከምዝቐነየ ሰበ-ስልጣን'ቲ ከባቢ ገሊጾም። ንገለ ከባብታት ሓይልታት ህወሓት ከምዝተቖጻጸሩ ካብኡ ተፈናቒልና ዝበሉ ነበርቲ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም ኣለዉ። ወሃቢ-ቓል'ቲ ወረዳ ጥላሁን ሉሌ፡ እቲ ዂናት ኣብ ማህጉዋ:ኣረንገቦ: ጃሮታ ዝተባህሉ ከባብታት ከም ዝነበረ ድሕሪ ምግላጽ ሓይልታት ህወሓት ተጻባኢ ዝኾነ ስጉምትታት ቀጺሎም ኣለዉ ክብል ከሲሱ። ብዛዕባ`ዚ ካብቶም ንክልል ትግራይ ዘመሓድሩ ዘለዉ ሰበ-ስልጣን ርእይቶ ምርካብ ኣይተኻእለን። ቅድሚ ሎሚ ግን ንሰላም ድልዋት ምዃኖም ክገልጹ ምጽንሖም ይፍለጥ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2-%E1%88%AB%E1%8B%AB-%E1%89%86%E1%89%A6-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8E-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%8A%95-%E1%8B%82%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8B%AB%E1%8B%B1-%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2-%E1%8B%AD%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A9\/6631874.html"} {"headline":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኤርትራዊያን ስደተኛታት የጋጥሞም ኣሎ ዝበሎ ጸገማት ገሊጹ","content":"ስደተኛታት ኤርትራ ዝተፈላለዩ ፀገማት ይበፅሑዎም ከምዘለው ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡ ብፍላይ እቶም ካብ ኣርባዕተ መዓስከራት ክልል ትግራይ ተመዛቢሎም ናብ ኣዲሰ ኣበባ ዝኣተው ስደተኛታት ሰብኣዊ ሓገዛት ስለ ዘይረኽቡ ኣብ ከቢድ ፀገም ከምዘለው እቲ ኮሚሽን ገሊፁ ኣሎ፡፡ ብኻልእ ወገን ኸኣ ብሰንኪ ህፁፅ ኣዋጅ ኢትዮጵያ ተቋሪፁ ዝነበረ ኣገልግሎት ዳግም ምጅማሩ ናይ ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽንን ርክብ ወፃእን ኣገልግሎት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን በአካል ንጉሰ ገሊፆም ኣለው፡፡ ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%A8%E1%8C%8B%E1%8C%A5%E1%88%9E%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%8E-%E1%8C%B8%E1%8C%88%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6630355.html"} {"headline":"ኮሚሽነር ሰ\/መሰላት ሕ\/ሃ ኣብ ወለጋ ዝተኻየደ ቅትለት ክጻረ ጸውዔን","content":"ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕ\/ሃ ሚቸል ባችለት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ዝሓለፈ ቅነ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ኣብ ልዕሊ ኣማኢት ሰባት ዝተፈጸመ ቅትለት፣ ብህጹጽ፣ ብናጻን ሙሉእን ኣገባብ ንከጻርዮ ጸዊዔን። ብመሰረት ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕ\/ሃ ዝረኸቦ ሓበሬታ \"ናብ ተወላዶ ኣምሓራ ዝነብሩላ ገጠር ቶሌ ዝኣተው ዕጡቃት፣ ንዝረኸብዎ ሰብ ብኣልማማ ድሕሪ ምትኳሶም፣ ኣማኢት ከምዝተቀትሉን፣ ኣስታት 2000 ድማ ካብ’ቲ ከባቢ ከምዝሃደሙን\" ጠቂሱ። ብዘይካ'ዚ፣ እቶም ዕጡቃት፣ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ሰዓታት ንብርክት ዝበሉ ኣባይቲ ኣንዲዶም። ከምኡ'ውን ንብዝሖም ዘይተፈልጡ ሰባት ጨውዮም ናብ ዘይተፈልጠ ስፍራ ወሲዶሞም። ሚሸል ባችለት ኣብ መግለጺኤን \"መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ግዳያትን ስድራ ቤቶምን፣ እንታይ ከምዝተፈጸመ ነቲ ሓቂ ክፈልጡ፣ ፍትሒ ክረኽቡን ገበነኛታት ንክሕተቱን\" ክሰርሕ ጸዊዔን። ኣብ’ዚ ቀረባ እዋናት፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ውጥረት ንሂሩ፣ ግጭታት ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ይውላዕ አሎ። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕ\/ሃ ኣብ መግለጺኡ \"መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንናይ ሰባት ናይ ምንባር መሰሎም ከረጋግጸሎምን ንክሕልዎምን\" ተማሕጺኑ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%90%E1%88%AD-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8C%8B-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B0-%E1%89%85%E1%89%B5%E1%88%88%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8C%BB%E1%88%A8-%E1%8C%B8%E1%8B%8D%E1%8B%94%E1%8A%95\/6630144.html"} {"headline":"ኢንዳስትሪ ዓለባ ሃዋሳ ብሰንኪ ምውጻእ ኢትዮጵያ ካብ ኣጎዋ 3,000 ሰራሕተኛታት ከምዘሰናብት ኣፍሊጡ","content":"ኢትዮጵያ ብ“ስምምዕ ንዕብየትን ዕድላትን ኣፍሪቃ” (ኣጎዋ) ዝፍለጥ ካብ ብኣመሪካ ዝልገስ ካብ ቀረጽ ናጻ ዝኾነ ዕዳጋ ብምውጽኣ ኣብ ሃዋሳ ወፊሩ ዝጸንሐ ኢንዱስትሪ ዓለባ ‘ቤስት ኢንተርናሽናል’ ንልዕሊ 3000 ሰራሕተኛታቱ ከምዘሰናብት ኣፍሊጡ። ካብ መንጎ’ቶም ዝሰናበቱ ሰራሕተኛታት ገሊኦም ክዛረቡ ከለው \"እቲ ኩባንያ፣ ካብ ሕጊ ወጻኢ፣ ካሕሳ ከይከፈሎም ኣሰናቢቱና\" ኢሎም ቅሬተኦም ገሊጾም። ኮንፈደረሽን ማሕበር ሰራሕተኛታት ብወገኑ \"እቶም ሰራሕተኛታት፣ መሰሎምን ረብሐኦምን ንክረጋገጸሎም ይላዘብ ከምዘሎ\" ጠቂሱ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%8A%95%E1%8B%B3%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%89%A3-%E1%88%83%E1%8B%8B%E1%88%B3-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%8C%BB%E1%8A%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8C%8E%E1%8B%8B-3-000-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%B0%E1%8A%93%E1%89%A5%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6630176.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሕጽረት ነዳዲ ክልል ትግራይ 'ጽውጽዋይ\/ፈጠራ'ዩ ይብል","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ኣሎ ዝበሃል ሕጽረት ነዳዲ ይነጽግ። ኣብዚ ሰሙን ሓደ በዓል ስልጣን ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ክልል ትግራይ ዑደት ብምፍፃም ሕፅረት ነዳዲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ሰብኣዊ ረድኤት ከይቐርብ ይገብር ኣሎ ኢሎም።ንድምጺ ኣመሪካ መልሲ ዝሃበት ወሃቢት ቃል ቀዳማይ ሚንስትር ግን ኣብ ትግራይ ሕፅረት ነዳዲ ኣሎ ዝብሃል 'ጽውጽዋይ\/ፈጠራ'ዩ ኢላቶ ኣላ። ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ኮሚሽነር ኣተሓሕዛ ቅልውላው ጀነዝ ለናርቺች ተወላዶ ትግራይ ብሰንኪ ዝቐፀለ ዕፅዋ ዝኣክል ተሳቒዮም እዮም ኢሎም። ንሶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ መግቢ ሒዘን ናብ ከተማ መቐለ ዝኣተዋ ናይ ፅዕነት መካይን ንህዝቢ ትግራይ መሰረታዊ ሰብኣዊ ድልየት ክሽፍን ናብ ዝኽእል ደረጃ በፂሑ ኣሎ ኢሎም። ይኹን እምበር ፃዕርታት ረድኤት ንምምላእ ሰራሕተኛታት ረድኤት እቲ ሓገዝ ናብ ዘድልዮም ሰባት ንምቕራብ ነዳዲ የድሊ እዩ ኢሎም። \"ብፍላይ ኣብ ቀረብ ነዳዲ ዝተነብረ እገዳታት ክልዓል ኣለዎ።ተወሳኺ ነዳዲ የድሊ እዩ ምኽኒያቱ ብዘይካ ነዳዲ ዋላ እውን ኣብ መቐለ ዝኣተወ መግቢ ብዝለዓለ ደረጃ ኣድላዩ ናብ ዝኾነሉ ገጠር ከባቢታት ምብፃሕ ኣይክእልን።ስለዝኾነ ኣብ ከተማ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ መኽዘናት መሊኡ ኣብ ገጠር ዘለው ሰባት ግን ሕጂ እውን ጠምዮም ዘለውሉ ኩነታት እዩ ዘሎ።\" ብሰንኪ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲን ሓይልታት ትግራይን ኣብ ሕዳር 2020 ዝጀመረ ግጭት ኣሽሓት ሰባት ኣብ ጫፍ ዓፀቦ ሚሊዮናት ድማ ተፀበይቲ ረድኤት መግቢ ክኾኑ ገይሩዎም። ጀነዝ መንግስቲ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ቀረባት መሰረታዊ ኣገልግሎታት ከይባጻሕ ዝዕንቕፍ ዝገብር ዘሎ ፋይናንሳዊ እገዳታት ከልዕል ፀዊዖም።ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤትን ሰራሕተኛታት ሆስፒታልን ንሓደ ዓመት ደመወዞም ከምዘይተኸፈሉ ወሲኾም ገሊፆም። \"ምዕፃው ኣገልግሎታት ሓይሊ መብራህቲ፣ባንኪ ወታሃደራዊ ኣድላይነቱ ኣይተርኣየንን ዘሎ።ብተፃራሪ እዞም ኣገልግሎታት እዚኦም ብዘይምድንጓይ ናብቲ ዝነበሩዎ ክምለሱ ከምዘለዎ እዩ እምነትና።ምኽኒያቱ ብቐዳምነት ንረብሓ ሰላማዊያን ሰባት ክሕለው ኣብ ግምት ዝኣትው እዮም።እዞም ኣገልግሎታት እተዘይሃሊዮም ኣብቲ ክልል ንሰብኣዊ ኩነታት ዘጋድዱ እዮም።\" ይኹን እምበር ፌደራል መንግስቲ ብፍላይ ነዳዲ ተኸልኪሉ እዩ ንዝብል ይነፅጎ።ወሃቢት ቃል ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ቢልለኔ ስዩም እቲ ዘሎ መረዳእታ ዝሕብሮ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራሕ ልዕሊ 167,000 ሊትሮ ዝፀዓና ሰለስተ መካይን መቐለ ምእታወን ሓቢራ። ንሳ ብምውሳኽ ካብ ወርሒ ሚያዚያ ጀሚሩ ብድምር ልዕሊ 920,000 ሊትሮ ነዳዲ ናብቲ ክልል ተላኢኹ ኣሎ ኢላ። \"ስለዚ ሕፅረት ነዳዲ ኣሎ ዝብሃል ጽውጽዋይ\/ፈጠራ ንካልእ ዙር ወታሃደራዊ ግጭት ንምድላው ወታሃደራቱ ናይ ምንቅስቓስ ዓቕሙ ንምሕያል ዝተሓብአ ኣጀንዳ ህወሓት እዩ።ስለዝኾነ ናይ ነዳዲ እገዳ ዝብሃል የለን።ከምዚ ዝበለ ኣብሃህላ እቲ ሓቂ ኣብ ግምት ብምእታው ብንፁር ክግምገም ኣለዎ።\" ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ክልል ትግራይ ዝኣተወ መጠን ረድኤት ንድልየት እቲ ክልል ዘማልእ ኣይኮነን ክብል ኣብ ቲዊተሩ ብተደጋጋሚ ይገልፅ።ካብ ሚያዚያ ክሳብ ሰነ ኣብ ዘሎ እዋን ልዕሊ 770,000 ሊትሮ ነዳዲ ጥራሕ ከምዝተፈቐደ ይግለፅ። ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝለኣኹዎ ናይ ፅሑፍ መልእኽቲ መንግስቲ ኣብይ ንሓቅታት የዛብዕ ኣሎ ክብሉ ከሲሶም።ኣብ ትግራይ ዘየድሊ ናይ ፍተሻ ኖቕጣታት ብምጥያስ ወይ ካልኦት ዕንቅፋታት ብምፍጣር ብሕፅረት ነዳዲ ተበፃሕነት ሰብኣዊ ረድኤት ንምዕንቃፍ ዝተቐመጡ ማሕለኻታት እዮም ኢሎም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%95%E1%8C%BD%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%90%E1%8B%B3%E1%8B%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8C%BD%E1%8B%8D%E1%8C%BD%E1%8B%8B%E1%8B%AD-%E1%8D%88%E1%8C%A0%E1%88%AB-%E1%8B%A9-%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%8D\/6629893.html"} {"headline":"መዓልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ ተዘኺሩ ውዒሉ'ሎ","content":"ሎሚ ሰነ 22,2022 መበል 34 መዓልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ ተዘኺሩ ውዒሉ'ሎ። እዚ መዓልቲ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ 47 ዓመታት ንዝሓለፉ ሰማእታት ዝዘከረ'ዩ ኔሩ። ነቲ መዓልቲ ብዝምልከት ንምክትል ሓላፊ ክፍሊ ኮሚኒኬሽን ክልል ትግራይ ኣቶ ሓድሽ ካሳ ኣዘራሪብናዮም ኣለና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%88%B0%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%8A%BA%E1%88%A9-%E1%8B%8D%E1%8B%92%E1%88%89-%E1%88%8E\/6628298.html"} {"headline":"ሕብረት ኣውሮጳ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንክልል ትግራይ ምስ ዓለም ከራኽባ ጸዊዑ","content":"ሕብረት ኣውሮጳ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንክልል ትግራይ ምስ ዓለም ከራኽባ ኣለዎ ክብል ፀዊዑ።ንሓደ ዓመት ዝፀንሐ 'ከፊል ዕፅዋ' ኢሉ ዝፀውዖ ንሓደ ሚሊዮን ዝጠመዩ ሰባት ክዕንግል ዝኽእል መግቢ ብሕፅረት ነዳዲ ኣብ መኽዘናት ተቐሚጡ ኣሎ ኢሉ። ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ኮሚሽነር ኣተሓሕዛ ቅልውላው ጀነዝ ለናርቺች ትማሊ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ቁጽሪ ኣብ ቀረባ ረድኤት ፅዒነን ናብ ክልል ትግራይ ይኣትዋ ዘለዋ መካይን ምውሳኹ ኣወንታዊ ምዕባለ እንተኾነ እውን 115 ሚሊዮን ህዝብ ዘለዋ ኢትዮጵያ ምስ ሕብረት ኣውሮጳ ዝህልዋ ርክባት ናብ ንቡር ቅድሚ ምምላሱ ‘’ተወሳኺ ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ’’ኢሎም። \"ኣብ ኣገልግሎታት ባንኪ፣ሓይሊ መብራህቲን ቴሌኮምኒኬሽንን ዕፅዋ ዝቕፅለሉ ምኽኒያት ኣይርኣየንን\" ዝበሉ ሌናርቺች ‘’ክፋል ዕፅዋ’’ ክልል ትግራይ ድሕሪ 19 ኣዋርሕ ረድኤት ዘድልዮ 5.2 ሚሊዮን ህዝቢ እናሃለወ ንፃዕርታት ሰብኣዊ ሓገዝ ዕንቅፋት ይፈጥር ኣሎ ኢሎም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዳዲን ጥረ ገንዘብን ናብ ክልል ትግራይ ከይኣትው ዘንበሮ እገዳታት ከልዕል እቶም ኮሚሽነር ፀዊዖም። ን950,000 ህዝቢ ዝዕንግል መግቢ ስኣን ነዳዲ ኣብ መቐለ ተኸዚኑ ከምዝርከብ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ወርሒ ገሊፁ እዩ። ሌናርቺች\"መኽዘናት መሊኦም ብዝለዓለ ደረጃ ረድኤት ናብ ዘድልዮም ገጠራት ክንወስደሉ ዘይንኽእለሉ ኩነታት እዩ ዘሎ’’ኢሎም። ገንዘብ ካብ ባንኪ ከውፅኡ ስለዘይክእሉ ብዙሓት ሰባት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ረድኤት ከምዝውከሉ ሓቢሮም። ንሶም ወሲኾም \"ክልቲኦም ወገናት ኣብ ቀረባ ናብ ፅምዶ ክኣትው ተኽእሎ ከምዘሎ እኣምን እየ፤እዚ ብህፁፅ ክኸውን ኣለዎ ድማ’’ ኢሎም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ ግጭት መግሃስቲ ሰብኣዊ ኣብ ዝነበረሉ ሕብረት ኣውሮጳ ንኢትዮጵያ ዝህቦ 17 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ በጀት ኣጊዱዎ እዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%88%AE%E1%8C%B3-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%88%AB%E1%8A%BD%E1%89%A3-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%91\/6628750.html"} {"headline":"ኣብ ምዕራብ ወለጋ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ ሕጂ'ውን ንድሕነቶም ከምዝሰግኡ ገሊጾም","content":"ኣብ ምዕራብ ወለጋ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ስዒቡ ዝተመዛበሉ ሰባት ሕጂ እውን ንድሕነቶም ከምዝሰግኡን ብመንግስቲ ዝውሰድ ስጉምቲ ዘዕግብ ከምዘይኮነን ገሊፆም። ሚንስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቡዎ ርእይቶ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ጊንቢ ዝተፈፀመ ሓዊሱ ኣብዚ ቅኒያት ዝተፈፀሙ መጥቓዕትታት 'ኦነግ ሸኔ' ኢሎም ዝፀውዕዎን ንባዕሉ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ኢሉ ዝፅውዕን ጉጅለ ምፍፃሙ ብምሕባር እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ዝተፈፀመሉ ከባቢ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት ስጉምቲ ይውሰድ ኣሎ ኢሎም። ፈፃሚ ስራሕ ገዛኢ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ናይ ሎሚ ኣኼብኡ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ሃገራዊ ፀጥታን ይውሰድ ኣብ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ኢሉ ዝፀውኦ ስጉምትን ተዛራሪቡ እቲ ስጉምቲ ሓይሉ ክቕፅል ኣንፈት ምቕማጡ ኣብ ገጽ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘስፈሮ መልእኽቲ ገሊፁ። ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞን ሎሚ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ እቲ መጥቓዕቲ ብገለልተኛን ተኣማኒን ኣካል ክምርመር ሓቲቶም። ብኻልእ ወገን ኣመሪካ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ጊምቢ ኣብ ልዕሊ ስቪላት ዝተፈፀመ ቅትለት ከምዘተሓሳሰባ ኣሜሪካ ፍሊጣ። ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ እቲ ቅትለት ብዓሙቕ ከምዝተሓሳሰቦ ሓቢሩ ኣሎ።ብዝወረደ ዘስካሕክሕ ተግባር ምሕዛኑ ብምግላፅ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ተሓታትነት ክረጋገፅ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8C%8B-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%98-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%88%AA%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%88%95%E1%8C%82-%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%B0%E1%8C%8D%E1%8A%A1-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/6628769.html"} {"headline":"መንግስቲ ክልል ትግራይ ንሰላም ቅሩብ ከምዝኾነ ወሃቢ ቃል ህወሓት ገሊጾም","content":"መንግስቲ ክልል ትግራይ፣ ንሰላም ቅሩብ ከምዝኾነ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ገሊጾም። ኣቶ ጌታቸው \"መንግስቲ ኢትዮጵያ እንተዋሓደ ብኣዋጅ ምስ ህወሓት ንምልዛብ ድልየት ኣርእዩ ኣሎ፣ መንግስቲ ኤርትራ ግና ንመስርሕ ሰላም ዕንቅፋት እዩ\" ኢሎም። ንሶም ነዚ ርእይቶ’ዚ ዝሃቡ ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝነበሮም ቃለ ምልልስ እዩ። ኣቶ ጌታቸው ሰበ ስልጣን’ቲ ክልል፣ ንሰላም ቅሩባት ከምዝኾኑ ሓቢሮም ኣለው። ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ምስ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘላዝቡ ሳልሳይ ወገን ዝበልዎም አካላት ናብ መቐለ ይመላለሱ ከምዘለው ገሊጾም። እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ልዑኻት ሕብረት አውሮጳ፣ ምስ ዶ\/ር ደብረጽየንን ምስ ወከልቲ ሃይማኖታት እቲ ክልል ተራኺቦም ዘትዮም ኣለው። ዋላ’ኳ መጠን ናብ’ቲ ክልል ዝኣቱ ሓገዝ እኽሊ ዝወሰኸ እንተኾነ ይብሉ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፣ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ፣ 30 ሽሕ ሜትሪክ ቶን እኽሊ ናብ ህዝቢ ምብጻሕ ከምዘይተኻኣለን ኣብ መኻዚኖታት ከምዝርከብን ገሊጾም። ኣቶ ጌታቸው ወሲኾም ‘መንግስቲ ኣብዪ’ እናበሉ ንዝገለጽዎ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ \"ሓቁ ይኹን ኣይኹን ዋላ’ውን እንተዘይፈለጠ፣ ድልየት ሰላም ከምዘለዎ ኣብ ዋዕላ ፓርላማ ብወግዒ አዊጁ እዩ\" ድሕሪ ምባል፣ ብዛዕባ መንግስቲ ኤርትራ ክዛረቡ ከለው ግና \"ንመስርሕ ሰላም ዓንቃፊ ኮይኑ ኣሎ\" ኢሎም ከሲሶም። ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዘቃልሕዎ ክሲ ካብ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ብቀጥታ ዝተዋሃበ ግብረ መልሲ የለን። እንተኾነ በብግዚኡ ኣብ ዝ ህብዎ መግለጺታት ግና ንመራሕቲ ህወሓት፣ 'ጸረ ሰላምን ፈጠርቲ ራዕዲን እናበሉ' እዮም ክብሉ ይኸስዎም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%89%85%E1%88%A9%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%BE%E1%8A%90-%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A2-%E1%89%83%E1%88%8D-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/6628707.html"} {"headline":"ደርቂ ቀርኒ ኣፍሪቃን ክልል ዓፋርን","content":"ኢትዮጵያ፣ ነቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ብርቱዕ ደርቂ ንምጽዋር ኣብ ትጽዕረሉ እዋን፣ ህዝቢ ክልል ዓፋር፣ ረሳሕ ማይ ገረብ ንክጥቀሙ ተገዲዶም ኣለው። ኣብ ክልል ዓፋር ዝርከብ ሩባ ኣዋሽ፣ ንተወላዶ ዓፋር \"ህይወቶም ዝተንጠልጠለትሉ ገመድ\" ኮይኑ ንመስተ: መብሰሊ መግብን ንንጽህናን ይጥቐምሉ። ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 40 ዓመታት ነቲ ዞባ አጋጢምዎ ንዘሎ ሓደጋ ደርቂ ትቃለስ ኣላ። ክልል ዓፋር’ውን ኣካል’ቲ ሓደጋ ኮይኑ ኣሎ። ቤት ጽሕፈት ሃብቲ ማይ ክልል ዓፋር ፋጡማ ሃይሰማ ብወገና \"ሕጽረት ማይ ብድሆ ኮይኑ'ሎ፣ ብርክት ዝበሉ ጎዳጉዲ ማያት ኩዒትና ኢና። እንተኾነ ሕጽረት ፍሎራይድ ስለዘለና ክንጥቀመሎም ኣይካኣልናን። መጠን ፍሎራድ እቲ ማይ ካብ’ቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ዘውጸኦ መዐቀኒ ንታሕቲ ስለዝኾነ ክንዕሽጎም ተገዲድና ኣለና። ማይ ንምጽራይ ዝሓትት መጠን ገንዘብ ልዕሊ ዓቅምና ኮይኑ ኣሎ\" ትብል። ሰበ ስልጣንን ትካላት ረድኤትን ብወገኖም፣ እንተኺኢሎም ብቦጥ ኣቢሎም ማይ ንምቅራብ ካብ ምፍታን ሰጊሮም ዝገብርዎ ካልእ ነገር የለን። ተወላዶ ዓፋር ግና ኣማራጺ ምስኣኖም ይግለጽ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%89%80%E1%88%AD%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD%E1%8A%95\/6628685.html"} {"headline":"መዓልታዊ ህይወት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣብ መቐለ ዝርከቡ ኣቦ","content":"ብምኽንያት ትማሊ ዝተዘኸረ ዓለምለኸ መዓልቲ ስደተኛታት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣብ መቐለ ዝርከቡ ወዲ ዓመት ወዲ-78 ኣቦ ዕለታዊ ህይወቶም ከምዚ ይመስል። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%88%85%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%88%AA%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A2%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%8A%A3%E1%89%A6\/6627057.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ መቐለ ዝተዳለወ ዝኽሪ ዓለምለኸ መዓልቲ ስደተኛታት","content":"20 ሰነ ተዘኪሩ ኣብ ዝወዓለ ዓለምለኸ መዓልቲ ስደተኛታት ኣብ መቐለ ብምትሕብባር ትካል ኤልሻዳይ’ዩ ተሰናዲኡ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ወከልቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት’ውን ተሳቲፎም ነይሮም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%B3%E1%88%88%E1%8B%88-%E1%8B%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5\/6627019.html"} {"headline":"ሓይልታት ምክልኻል ናብቲ መጥቓዕቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ክልል ኦሮምያ ብምእታው ስጉምቲ ይወስዱ ምህላዎም ቀ\/ሚ ኣብይ ገሊጾም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ምዕራብ ወለጋ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ዜጋታት መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ሰራዊት ምክልኻል ካብ ትማሊ ጀሚሩ ተሪር ስጉምቲ ይወስድ ምህላዉ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጡ። ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ወረዳ ጊምቢ ቀበሌ ቶሌ፡ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ሰለማውያን ሰባት ቁጽሮም ይውስኽ ምህላዉ ካብቲ መጥቃዕቲ ዝተረፉ ነበርቲ ንድምጺ ኣመሪካ ይሕብሩ`ለዉ። ትኽክለኛ ቁጽሪ ዝሞቱ ዛጊት ካብ መንግስቲ ኮነ ካብ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ዝተገልጸ ነገር የለን። ነቲ መጥቃዕቲ ዝኹንን መግለጺ ዘውጽኡ ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ፓርትታት፡ መንግስቲ ንድሕነት ዜጋታት ክሕሉ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ። መንግስቲ ነቲ ስጉምቲ ዘይወሰደ ካብ ዓቕሚ ምስኣን ዘይኮነስ ካብ ዘይምድላይ`ዩ ዝብል ነቐፌታ ዘቕርቡ ወገናት'ውን ኣለው። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት`ዚ ሽዱሽተ ቢልየን ሓዲሽ ፈልሲ ናይ ምትካል ስነ-ስርዓት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኣብቲ ሰላማዊያን ሰባትዝተቐትሉ ምዕራብ ወለጋ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ሓያል ስጉምቲ ይወስድ ምህላዉ ተዛሪቡ`ሎ። ንድምጺ ኣመሪካ ርእይትኦም ዝሃቡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብወገኖም፡ ሓይልታት ጸጥታ ናብቲ ቦታ ኣትዮም ስጉምቲ ይወስዱ ከምዘለዉ መስኪሮም ኣለዉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%8A%93%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%98%E1%88%89-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8D-%E1%88%B5%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%88%B5%E1%8B%B1-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/6626811.html"} {"headline":"ነበርቲ: ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ጋምቤላ ንሰላማዊያን ሰባት ቀቲሎም ክብሉ ሓቢሮም","content":"ነበርቲ: ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ጋምቤላ ንሰላማዊያን ሰባት ቀቲሎም ክብሉ ሓቢሮም። እቶም ሓይልታት ጸጥታ 'ኦነግ ሸኔ'ኢኹም ብምባል ንተወላዶ ኦሮሞን ተወላዶ ካልኦት ብሄራትን ከም ዝቐተሉ`ውን ሓቢሮም ኣለዉ። ሚንስተር ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ግን፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኦነግ ሸኜ ከቢድ ክሳራ ድሕሪ ምውራዱ እቶም ዕጡቓት ናይ ሕነ ምፍዳይ ስጉምቲ ብምውሳድ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ቅትለት ከምዘፈጸሙ ይገልጽ። ክልል ጋምቤላ ብወገኑ፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታን ዕጡቓትን ብዝተገብረ ግጭት፡ 17 ተወላዶ ዝተፈላለዩ ብሄረ-ሰባት ምቕታሎም ዝጠቐሰ ክኸውን ከሎ፡ ኣብቲ ክልል ሕጂ ህይወት ናብ ንቡር ምምላሱን፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ጋምቤላ ዝግበር በረራ ምጅማሩን እቲ ከባቢ ምርግጋኡን`ውን ኣፍሊጡ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%8B%E1%88%9D%E1%89%A4%E1%88%8B-%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%89%B2%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/6626820.html"} {"headline":"ቻይና ግጭት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ምዝዛም ከምትሕግዝ ትገልጽ","content":"ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሽዌ ቢንግ ሰላም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምስፋንን ምትእትታው ወጻእተኛታት ንምእላይን ሃገሮም ድልውቲ ምዃና ገሊጾም። ንሶም ነዚ ዝገለፁ አብቲ ንፈለማ እዋን አብ አዲስ አበባ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ ምምሕዳርን ልምዓትን እዩ። ቻይና ትማሊ ሰኑይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሹዱሽተ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ አብ ዘካየደቶ ኣኼባ ኣብ'ቲ ዞባ ከባቢያዊ ህውከትን ምክፍፋላትን ይውስኽ ምህላዉ ሓቢራ። ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሽዌ ቢንግ ኣተሓሳስባ ዙሑል ኲናትን ፖለካዊ ስልጣንን እናዓብለለ ብኣንፃሩ ድማ ሰላምን ልምዓትን ተቃ፟ውሞታት የጋጥሞ ኣሎ ኢሎም። ቻይና ምስ ኣፍሪቃ ንነዊሕ ጊዜ ንግዳዊ ሽርክና ዝመሰረቱ ርክብ እዃ እንተሃለዋ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳይ ሃገራት አፍሪቃ ኢዳ ከተእቱ ንፈለማ እዋን እዩ። እዚ ኸኣ ሓዱሽ ለውጢ ፖሊሲ ቻይና እዩ ። ሽዌ ከምዝበልዎ ጠመተ ቻይና ሰላምን ልምዓትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ህሉው ኩነትን ሕሉፍ ልምድን ዝተሞርከሰ ኮይኑ ሃገራት እቲ ዞባ ንርእሰን ካብ ኢድ ኣእታውነት ደጋውያን ዝናገፋሉ ኣገባብ ኣብ ምሕጋዝ ዝዓለመ እዩ ኢሎም ። \"ቻይና ነቲ ናይ ሓባር፣ ሰፊሕ ምትሕብባርን ቀፃልነት ዘለዎ ራእይ ድሕነት ፀጥታ ሃገራት እቲ ዞባ ምድጋፍ ክትቅጽል ኢያ። ዞባዊ ድሕነትን ሰላም እተን ሃገራት ኣብ ምሕላውን ከምኡ'ውን ድምጺ ተኹሲ ዘይስመዐሉ ሃዋህው ንምፍጣርን ምስራሓ ክትቅፅል እያ።\" ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ብወገኖም ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ውሽጣዊ ምምዝባላት ፣ ፈተናታትን ሳዕቤናት ኲናትን ዝፈትሕሉ ዝተፈለየ ሜላ ከናድዩ ይግባእ ኢሎም። “ኣብ ሞንጎ ሰላምን ፀጥታዊ ድሕነትን ዘሎ ምትእስ ሳራት ኣብዚ ምግላፅ ዘይድልዮ ፍሉጥ ጉዳይ እዩ ። እቲ ዞባ ካብ ሸኽሚ ኲናትን ጎንፅን ዝረሓቀ፟ ሰላምን ድሕነቱን ዝተረጋጋፀ ኣብ ምግባር ኩሎም ኣካላት ቀዳምነት ሂቦም ክሰርሕሉ ይግባእ ። ህዝቢ እቲ ዞባ እኹል ስቃ፟፟ይ ኣተኣናጊዱ እዩ ። ብምዃኑ ፀገማትና ብዝሰልጠነ ኣገባብ ክንፈትሕ ይግባእ።” ቻይና ሃገራት እቲ ዞባ ፍልልያቶም ብዘተን ምርድዳኣትን ንምፍታሕ ኣብ ምሕያል ሓድነትን ፖለቲካዊ ጥበብን ዝተሞርከሰ ውሳነ ከምዘለወን ቀዲማ ትፈልጦን ትኣምነሉን ምኳና ትገልፅ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%BB%E1%8B%AD%E1%8A%93-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%88%AD%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8B%9B%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%88%95%E1%8C%8D%E1%8B%9D-%E1%89%B5%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%BD\/6626886.html"} {"headline":"ካብ ኣመሪካ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን ብምካድ ስራሓት ግብረ ሰናይ ዘካይዱ ኣይተ ተኽለ ገብረስላሰ","content":"ነባሪ ኣመሪካ ዝኾኑ ወዲ 77 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣይተ ተኽለ ገብረስላሰ ኣብዚ እዋን ኣብ ሱዳን ናብ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት ትግራይ ተነድባ ወሪዶም ብዛዕባ ዘካይድዎ ዘለዉ ሰናይ ተግባር ከካፍሉና ኣዘራሪብናዮም ኣለና። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%B5%E1%8A%A8%E1%88%AD-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8A%AB%E1%8B%B5-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%B0%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%89%B0-%E1%89%B0%E1%8A%BD%E1%88%88-%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%88%8B%E1%88%B0-\/6626766.html"} {"headline":"መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ተዘኺሩ ውዒሉ","content":"ሎሚ 20 ሰነ፡ ኣብ ኤርትራ ዝኽሪ መዓልቲ ሰማእታት’ዩ። እዚ ዕለት ብዝተፈላለየ መሳንድኦታት ተዘኪሩ ውዒሉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%88%B0%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%8A%BA%E1%88%A9-%E1%8B%8D%E1%8B%92%E1%88%89\/6625183.html"} {"headline":"ኲነታት ኣብ ዳባት ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት","content":"20 ሰነ ዓለምለኸ መዓልቲ ስደተኛታት ምክንያት ብምግባር ኲነታት ኣብ ዳባት ክልል ኣምሓራ ዘለዉ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ንምድህሳስ ገለ ካብኣቶም ኣዘራሪብና ኣለና። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%B2%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%B3%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5\/6625194.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኦሮምያ ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ብዝሒ ዘለዎም ሰባት ምቕታሎም መሰኻኽርን ስድራን ሓቢሮም","content":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ጊምቢ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ዕጡቓት ብዝፈፀምዎ መጥቓዕቲ ብዝሒ ዘለዎም ሰላማዊያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ካብቲ መጥቓዕቲ ኣምሊጥና ዝበሉ መሰኻኽርን ስድራታትን ኣፍሊጦም። ምኽትል ኣመሓዳሪ ወረዳ ግምቢ ኣቶ ሻፌ ኣለሙ ፈጻሚ'ቲ መጥቓዕቲ ንገዛእ ርእሱ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ እናበለ ዝፅውዕ መንግስቲ ግን ሸኔ ክብል ዝጽውዖ ጉጅለ እዩ ብምባል ብዙሓት ህፃናትን ኣዴታትን ሓዊሱ ብዙሓት ሰባት ምቕታሎም ሓቢሮም። ነቲ ቅትለት ዝኾነኑ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ \"መጥቓዕቲ ኣብ ዝተፈፀሞም ከባቢታት ሰላምን ድሕነትን ንምምላስ ቀዳምነት እንህቦ ተግባር እዩ\" ኢሎም። ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ህይወቶም ንዝስኣኑ ሓዘኑ ገሊፁ ኣሎ። ብዝሒ ዝሞቱ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝተፈላለየ ቁፅሪ ይግለፅኳ እንተሃለወ ብመሰረት ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብዝሒ ምውታት 260 ምብጽሑ ሓቢሩ'ሎ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብሓይልታት መንግስትን ዕጡቓትን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ይፍፀሙ ዘለው ህይወት ሰባት ዘጥፍአ፣ኣካል ዘጉደለን ንብረት ዘዕነወን መጥቓዕትታት ብቐረባ ይከታተሎ ከምዘሎ ብምሕባር ተወሳኺ መጥቓዕቲ ከይፍፀም ኣገዳሲ ስጉምቲ ክወስድ ሓቲቱ'ሎ ። ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ዝተፈፀመ ቅትለት ሰላማዊያን ሰባት ብትሪ ብምዂናን ስርዓት ኣብይ ኢሉ ዝፀውዖ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ፈፂሙዎ ዝበሎ ገበናት ናብ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ከምዘሳብብ ብምግላፅ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ንዕጡቓት ኦላ ንምምሳል ጨጉሮም ዝተቖነኑ ‘’ጋቻና ሲርና’’ ዝተባህለ ጉጅለ ብምውዳብ ኣብ ኦሮሚያ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ገበናት ይፍፅሙ ኣለው ኢሉ ኣሎ። እዚ ናይ ሎሚ ክስታት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣቐዲሞም ዝቐረቡ እውን ብዝኾነ ይኹን ተአማኒን ነፃን ወገን ክምርመር፣ፈፀምቲ ክሕተቱ፣ግዳያት ፍትሒ ክረክቡ ንስድራታት ግቡእ ካሕሳ ክኽፈሎም ፀዊዑ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%98-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%92-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%B3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%8A%BB%E1%8A%BD%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/6625227.html"} {"headline":"ኮሚሽን ሰ\/መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ዝተዘግሓ ቕትለት ዘርእይ ቪድዮ ሓይልታት መንግስቲ ዝፈጸምዎ'ዩ ክብል ገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ሰባት ካብ መኪና ክወርዱ ምስ ተገብረ ብጃምላ ክቕተሉ ዘርኢ ዘስካሕክሕ ቅትለት ስሩዕን ዘይስሩዕን ሓይልታት መንግስቲ ዝፈፀሙዎ እዩ ክብል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ገሊፁ። እቲ ተግባር ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝተፈፀመ ምዃኑ እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘካይዶ ምርመራ ምርግጋፁ ንድምጺ ኣመሪካ ዝገለፀ ላዕለዋይ ዳይረክተር ክትትልን ምርመራን ሰብኣዊ መሰላት ኣቶ ይበቃል ግዛው እቲ ቪዲዮ ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝነበረ መረዳእታ ተወሳኺ ሓይልታት መንግስቲ ኣብቲ ተግባር ምስታፎም ከምዝሕብር ገሊፁ። እቲ ተግባር ዝተፈፀመ ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ብኽልተ ፅዕነት ዘምፅእዎም ኣባላት ኦነግ ሸኔ ዝበሉዎም ኣስታት 30 ሰባት ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ ወረዳ ጨፋ ብጃምላ ብጥይት ከምዝቐተሉዎም \"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ዝተፈፀሙ መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት’’ ብዝብል ኣርእስቲ ፀብፃብ ኣውፂኡዎ ከምዝነበረ ኣቶ ይበቃል ሓቢሩ። በቲ ኮሚሽን ዝወሃቡ ምኽርታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ፃዕሪ ከምዝገብር መንግስቲ ብተደጋጋሚ እንተገለፀ እውን ኣብ ዙሪያ እዚ ቅትለት ግን ዝተዋህበ ግብረ መልሲ የለን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%80%E1%88%A8%E1%89%A3-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%8C%8D%E1%88%93-%E1%89%95%E1%89%B5%E1%88%88%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD-%E1%89%AA%E1%8B%B5%E1%8B%AE-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%9D%E1%8B%8E-%E1%8B%A9-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6625251.html"} {"headline":"ሁማን ራይትስ ዎች:ሕ\/ኣውሮጳ ኢትዮጵያ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ጭቡጥ ለውጢታት ከተመዝግብ ድፍኢት ክገብር ጸዊዑ","content":"ኣብ ዓለምለኸ ተሓላቒ መሰላት ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ዳይረክተር ቀርኒ ኣፍሪቃ ላቲሻ ባደር: ኢትዮጵያ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ጭቡጥ ለውጥታት ክትገብር ሕብረት ኣውሮጳ ድፍኢት ክገብር ፀዊዓ።መንግስቲ ተበፃሕነት ረድኤት ከረጋግፅን ብሃበ ተረኽበ ምእሳር ከብቅዕን እውን ኣለዎ ኢላ። ሎሚ ሰኑይ ኣብ ብራስለስ ቤልጅም ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ሚንስትራት ጉዳያት ወፃኢ ሕብረት ኣውሮጳ ኢትዮጵያ ዋና ኣጀንዳ ከም እትኸውን ዝገለፀት ላቲሻ ባደር እቲ ኣኼባ ዝካየድ ዘሎ ኣብ ክልል ትግራይ ዝጀመረን ኣብ ልዕሊ ስቪል ህዝቢ ከቢድ ጉድኣት ዘውረድን ግጭት መበል 18 ኣዋርሕ የቑጽር ኣብ ዘለሉ እዋን'ዩ ኢላ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሚያዚያ ኣትሒዙ ረድኤት ብብዝሒ ክኣትው እንተፈቐደ እውን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሎሚ እውን መግሃስትን ስቓይን ቀፂሉ ኣሎ ትብል። ሓደ ዓመት ናብ ዝፅጋዕ መንግስቲ ፌደራል ናብ ትግራይ መግቢ፣ነዳዲን ካልኦት መሰረታዊ ቀረባትን ከይኣትው ዕፅዋ ክቕፅልን መራኸቢታት፣ ባንኪን ሓይሊ ኤሌክትሪክን ተበቲኹ ክቕፅልን ገይሩ ኢላ። ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ትግራይን ዓፋርን ገበናት ኵናትን ካልኦት ከበድቲ መግሃስታትን ዝፈፀሙ ትርጉም ብዘለዎ ተሓታትነት ኣይተረጋገፀን ዝበለት ላቲሻ ባደር ሰበስልጣን ፌደራል ኣብ ኦሮሚያ ንዓመታት ጃምላዊን ዝተናውሐን ማእሰርቲ ኣብ ቀረባ ድማ ኣብ ኣምሓራ ንኣሽሓት ሰባት ምእሳሮም ትገልፅ። ላቲሻ ባደር ሕብረት ኣውሮጳ ማዕረ ኣብ ካልኦት ክፋላት ዓለም ዝፍፀሙ ገበናት ኵናት ዝወስዱዎም ተረርቲ ስጉምታት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝፍፀሙ ገበናት ኵናት እውን ኣቕሊሉ ክርእዮ የብሉን ኢላ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%81%E1%88%9B%E1%8A%95-%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%89%B5%E1%88%B5-%E1%8B%8E%E1%89%BD-%E1%88%95-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%88%AE%E1%8C%B3-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8C%AD%E1%89%A1%E1%8C%A5-%E1%88%88%E1%8B%8D%E1%8C%A2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8C%8D%E1%89%A5-%E1%8B%B5%E1%8D%8D%E1%8A%A2%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%AD-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%91\/6625272.html"} {"headline":"ድምጻዊ ዳዊት ነጋ ብኣንደበት ኣዕሩኽቱን መሳርሕቱ ነበርን","content":"ዝሓለፈ ሰንበት ድሕሪ ሓፂር ሕማም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝዓረፈ ውሩይ ድምፃዊ ዳዊት ነጋ፡ ስነ-ስርዓት ቀብሩ ብሰሉስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤተክርስቲያን ካቴድራል ቅድስት ስላሰ ተፈፂሙ ኣሎ። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዝተረኽበ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ንመሳርሕቲን ቀረብቲን ዳዊት ብምዝርራብ፡ ንስራሓቱ፡ ኣበርክቶኡ ኣብ ዕብየት ሙዚቃ ትግርኛን ብዛዕባ ቅድሚ ሞት ዘዳልዎ ዝነበረ ዘይተዛዘመ ስራሕትን ንመደብ ቂሐ-ፅልሚ ኣዳልዩ ኣሎ። ብኣማውታኡ ኣመልኪቱ ብዛዕባ ዝስምዑ ሓደ ሓደ ዘረባታት ዝምልከት’ውን ኣዘራሪብዎም ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BB%E1%8B%8A-%E1%8B%B3%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%90%E1%8C%8B-%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%89%A0%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%95%E1%88%A9%E1%8A%BD%E1%89%B1%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%88%B3%E1%88%AD%E1%88%95%E1%89%B1%E1%8A%95-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%8A%95\/6621972.html"} {"headline":"ኣሽሓት ተወላዶ ትግራይ ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኢትዮጵያ ይሳቐዩ-ጸብጻብ ሮይተርስ","content":"ቦታን ግዜ ሸፈነን ንምትእኽኻል ብዘይ ናይ ትሕዝቶ መሰረታዊ ለውጢ መጠናዊ ምሕጻር ዝተገብረሉ ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ። ሰራሕተኛ ረዲኤት ዝዀነ ወዲ 36 ዓመት ተስፋዬ ወልደማርያም፡ ንኽልተ ሰሙናት ዝኣክል ብዓሶ ርእሲ ተሳቕዩ። ኣብቲ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ተወላዶ ትግራይ ሒዙ ዝነበረ ሚዛን ተፈሪ ዝተባህለ ቤት-ማእሰርቲ፡ ተስፋዬ መታን መቐርቀሪ መደቀሲ ክረክብ ካልኦት እሱራት ደው ክብሉ ነይሩዎም። እቶም ቦታ ንኽገድፉ ደው ዝበሉ፡ ብሰንኪ ጽበት ቦታ ደው ብምባል ኣእጋሮም ዝደምበወ’ዩ። ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ዝርኣየሉ፡ ኣብ ከምኡ ዝመስል ህድሁድ ማእሰርቲ ደርዘን ኣቢለን ይበጽሓ ምንባረን ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣረጋጊጹ። ከም ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ምስ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ተተሓሒዙ፡ ኣብ መንጎ ወርሒ ሕዳርን ለካቲትን ኣስታት 15-ሽሕ ተወላዶ ትግራይ ብኣልማማ ተኣሲሮም ነይሮም። መንግስቲ መብዛሕትኦም ከም ዝተፈትሑ ይሕብር። እንተዀነ ኣስታት ትሽዓተ ሽሕ ዝበጽሑ ገና ኣብ ማእሰርቲ ከም ዘለዉ ይግመት። እቶም ዜጋታት ተታሒዞምሉ ዝነበሩ ግቡእ ናይ መሳለጥያታት ማእሰርቲ ዘየማልእ ከም ዘይተወድእ ህንጻታት፡ ኣብያተ-ሲነማ፡ ፋብሪካታትን ካልእ ዘይምቹዋት ስፍራታትን’ዮም። ኣብቲ ቆልዓ፡ሰበይቲ እንኮላይ ዝተታሕዙሉ ኣብያተ-ማእሰርቲ ማህረምቲ፡ ጥሜትን ምጕስቓልን ዝውቱር ምዃኑ ሮይተርስ ዘዘራረቦም እሱራት ነበር ይሕብሩ። ስእነት መድሃኒት ልሙድ ኰይኑ፡ ገለኣቶም መሰረታዊ ቀረብ ንምርካብ ነቶም ዋርድያ ጉቦ ምሃብ ዝውትሩ ምንባሩ ይጠቕሱ። ብሰንኪ ዝነበረ ሕማቕ ኣተሓሕዛን ስእነት መድሃኒትን 17 እሱራት ከም ዝሞቱ ሮይተርስ ይጽብጽብ።ሮይተርስ ብዛዕባ’ዚ ምላሽ ንምርካብ ንሓያሎ ኣብያተ-ማእሰርቲ፡ ሚኒስትሪ ፍትሒን ካልኦት ሰብ-መዚን ሓቲቱ፡ ምላሽ ግን ኣይረኸበን። ተስፋዬ ወልደማርያም ሓደ ካብቶም ዝሞቱ’ዩ። ሓገዝ ኣብ ዝረኸበሉ እዋን፡ ሕማሙ ኣመና ስለ ዝኸበደን ዝተሓላለኸን ክድሕን ኣይከኣለን። ማእሰርቲ ተወላዶ ትግራይ በበይኑ ማዕበላት’ዩ ነይሩዎ። ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚቸል ባችለት እቶም እሱራት ብመንነቶም ጥራይ ግዳያት ምዃኖም ትሕብር። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ’ውን ተመሳሳሊ መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ። ፖሊስ ንጥርጡራት ገበን ጥራይ ዒላማ ከም ዝገብሩን ዝኣሰሩን ይሕብሩ። መሰኻኽር ግን ብቛንቋኦምን መንነቶም ብዝሕብር ምስክር ወረቐትን ጥራይ ግዳያት ኴንና ይብሉ። ኣብቲ ተስፋዬ ተኣሲሩሉ ዝነበረ ሚዛን ተፈሪ ዝተባህለ ስፍራ 18 ሸላታት ነይረን። መስኮት’ውን ዘይብለን ሽዱሽተ ብሓሙሽተ ሜትሮ ስፍሓት ዘለወን ሸላታት’የን። ሓደ ኣብኡ ተኣሲሩ ዝነበረ ዜጋ፡ ኣብ ሓንቲ ሸላ 183 ሰባት ተኣሲሮም ምንባሮም ይምስክር። ካልእ ድማ 176 ኣብ ተመሳሳሊ ስፍራ ምንባሮም ይሕብር። ናይ ሚዛን ተፈሪ ማእሰርቲ ሸላታት ኣብ ኣርባዕተ ትርብዒት ሜትሮ ዕስራ ሰባት የዕቊቡ ነይሩ። ሰብ-መዚ እቲ ቤት ማእሰርቲ ብዝከኣሎም ኩነታት ከመቻችኡ ከም ዝጸዓሩ ይዛረቡ። እሱራት ግን ንባልዕ፡ ቍማልን ተላገብቲ ሕማማትን ተቓሊዕና ይብሉ። ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ፡ ብስእነት ክንክን ዝተጋደደ ሕማማት እሱራት ንሞትን ክውገድ ዝነበሮ ሕማማት ተቓሊዖም’ዮም። እቲ ቦታ ዓሳዊ ብምዃኑ ድማ ንኸም በዓል ተስፋዬን ካልእን ብቐረባ ግዳያት ገይሩዎም። ሚዛን ተፈሪ ግን እቲ እንኮ ተወላዶ ትግራይ ብሕማቕ ተታሒዞምሉን ብሰንኪ ስእነት ክንክን ዝሞቱሉን ቤት ማእሰርቲ ኣይኰነን። ንኣብነት ኣብ ቀጽሪ ዋቸሞ ዩኒቨርስቲ፡ ንልዕሊ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣስታት 1,200 ዝበጽሑ ተወላዶ ትግራይ ተኣሲሮም ምንባሮም ወሃብ-ቃል እቲ ወረዳ ንሮይተርስ ሓቢሩ። እቲ ወሃብ-ቃል “መጽለሊ” ደኣ ኢሉ ይግለጾ እምበር፡ እቶም ኣብኡ ተታሒዞም ዝነበሩ ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝተመልሱ ተጋሩ’ዮም። ኣብ ዩኒቨርስቲ ዋቻሞ ተታሒዙ ዝነበረ ትግራዋይ፡ ናይ መግቢ፡ ማይን ካልእ መሰረታዊ ቀረባትን ዝጥቀስ ሕጽረት ዘይምንባሩ ይሕብር። መድሃኒት ግን ይገዝኡ ምንባሮም ጠቒሱ። ቅርበት ዘለዎም ሰባት ብውሑዱ ክልተ ሰባት ምሟቶም ይሕብሩ። ኣብ ካልእ ቦታ፡ ኣብ ምስ ትግራይ ዘዳውብ ናይ ዓፋር ክልል፡ ኣባዓላ ኣሽሓት ተወላዶ ትግራይ ተገፊፎም ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ንማእሰርቲ ኣምሪሖም። ብዛዕባ’ዚ ማእሰርቲ ኣመልኪቱ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ መብርሂ ዝሃበ ምንጪ፡ ኣብ መንጎ ሸውዓተን ዓሰርተ-ክልተን ሽሕ (7,000፡12,000) እሱራት ምህላዎም ይነግር። እሱራት ኣብ ክፉት መካበብያ ብዘይ ግቡእ ኣተኣላልያ ተኣሲሮም ምህላዎም ምንጭታት ይሕብሩ። ብሳትላይት ዝተላዕለ ምስልታት ነቲ ቦታ ከለልዮ ክኢሉ ኣሎ። ክልል ዓፋር ግን ብዛዕባኡ ተሓቲቶም ምላሽ ኣይሃቡን። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተታሕዙ ተወላዶ ትግራይ፡ ናብ ካልእ ቅድሚ ምግዓዞም ኣብ ኣባ-ሳሙኤል ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ ተታሒዞም ምጽናሖም ይጠቕሱ። ቍጽሪ እሱራት ናይቲ ኣብቲ ብጽበት ቦታን ሕማቕ ኣተሓሕዛ ሓለውቲ ዝልለየሉ ቤት ማእሰርቲ ኣባ-ሳሙኤል ካብን ናብን መሰኻኽር ይፈላለ’ዩ። ገሊኣቶም’ውን ኣብ ክልል ዓፋር ተኣሲሮም ዝነበሩ፡፡ብጥሜት ዝማሰኑ እሱራት፡፡ ከም ዝተሓወሱዎም ይገልጹ።ከም ሓበሬታ መሰኻኽር ዓይኒ ኣብ ኣባ-ሳሙኤል ተወላዶ ኦሮሞ’ውን ተሓዊሶም ነይሮም። ናብ ገለ ካብቲ ኣብያተ-ማእሰርቲ ከብጽሕ ዕድል ዝረኸበ ጠበቓ፡ እቲ ዝረኣዮ ማእከላት መሰረታዊ ቀረባት ዘይነብሮ’ዩ። ገሊኡ ናይ ውልቀ-ሰባት ዘይተዛዘመ መኻዚኖታት ወይ ድማ ፋብሪካታት’ዩ። ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ገስጋሶም ድሕሪ ምቕያሩን ንትግራይ ምስሓቦምን፡ ኣብ መንጎ ወርሓት ጥሪን ለካቲትን ብዙሓት ተወላዶ ትግራይ ተፈቲሖም’ዮም። ካልኦት ኣሽሓት ገና ከም ዘለዉ ግን በበይኖም ምንጭታት የርድኡ። ኣብ ወርሒ መጋቢት ድሕሪ ዝተኣወጀ ምቍራጽ ተጻብኦታት ድማ ዛጊት ብዅሉ ወገናት ኣብ ደውታ’ዩ ዘሎ። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ምስ መራሕቲ ትግራይ ንምዝርራብ መጽናዕቲ ክገብር ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%BD%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B6-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AB%E1%89%B0-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%AD%E1%88%B3%E1%89%90%E1%8B%A9-%E1%8C%B8%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%89%A5-%E1%88%AE%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%88%B5\/6621825.html"} {"headline":"ሃገራዊ ኮሚሽን ምኽክር ምስ ፕረ. ክልል ሲዳማን ካቢነኦምን ምዝርራቡ ተሓቢሩ","content":"ሃገራዊ ኮሚሽን ምኽክር ካብቲ ሕብረተሰብ ዝቐርቡ ኣጀንዳታት እምበር ካብ መንግስቲ ወይ ካብ ምሁራን ናብ ታሕቲ ዝወርዱ ጉዳያት ከም ዘይመክር ኮምሽነር ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ኣፍሊጦም። ፕሮፌሰር መስፍን ነዚ ዝገለፁ ሎሚ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ምስ ፕረዚደንት ክልል ሲዳማ ኣቶ ደስታ ለዳሞን ካብኒኦምን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ኣብ ዝመኸርሉ እዋን ክኸውን ከሎ ናይቲ ክልል ፕረዚደንት ነቲ ኮሚሽን ዘድልዩዎ ሓገዛት ሰብሙያን ካልእን ከምዝገብሩሎም ኣረጋጊፆም። ኣቐዲሞም ርእይትኦም ንድምጺ ኣመሪካ ዝሃቡ ናይ ኦፌኮ:ኣረናን ኢዜማን ኣመራርሓ እቲ ናይ ምክኽር ኮሚሽን ዝተመረጸሉ ኣገባብ ኩሉ ሓቆፍ ከምዘይኮነን ዝስዕቦ ዘሎ ኣገባብ ውጽኢታዊ ከምዘይኸውን ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር። ብካልእ ወገን እቲ ኮሚሽን ኣብ በበይኖም ፍልልያት ንኹሎም ኢትዮጵያዊያን ዝሓቁፍ ልዝብ ንምክያድን ምርድዳእ ዝፈጥሩ ኩነታት ምምዕርራይን ጥራይ ምዃኑ ፕሮፌሰር መስፍን ቕድሚ ሕጂ ዝሓበሩ ክኾኑ ከለው በዚ መስርሕ ድማ ንፖለቲካዊ ሰልፊታት ሓዊሱ ድልየት ንዘለዎም ኩሎም ከምዘሳትፍ ምግላቶም ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%8A%AD%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%B2%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%89%A2%E1%8A%90%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%88%AB%E1%89%A1-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6622162.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ሓይልታት ትግራይ ንምዝታይ ኮሚተ ምቛሙ ገሊጾም","content":"ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ድሕሪ ናይ 18 ኣዋርሕ ዂናት ምስ መራሕቲ ክልል ትግራይ ንምዝታይ ኮሚተ ምጥያሱ ንኣባላት ፓርላማ ገሊጾም። ከም ሓበሬታ ተንተንቲ ፖለቲካን ኣፈፀምቲ ሕግን ግና እቲ ዘተ ስምምዕ ዕዉት መታን ክኸውን ካብ ህወሓትን መንግስቲን ወፃኢ ካልኦት ኣካላት እውን ክሕውስ ኣለዎ በሃልቲ እዮም። ተወካሊ ሃገራዊ ምንቅስቃ፟ስ ውድብ ኣምሓራ ዝኾኑ ኣባል ቤትምኽሪ ደሳለኝ ጫኔ ከምዝበልዎ እዚ ዘተ ማዕረ ውክልና ዘለዎ ካብ ክልል ኣምሓራን ጎረቤት ሃገር ኤርትራን ክሓውስ ኣለዎ ክልቲኦም ኣብቲ ኲናት ርኡይ ግደ ዝነበሮም እዮም ኢሎም። “እቲ ከይዲ ዘተ ሰላም ንኹሉም ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ዝነበሩ ወገናት ማዕረ ውክልና ዘይህብ እንተኾይኑ ዝሳኻዕ ኣይኸውንን ። ምናልባት መንግስቲ ጥቅ፟ምታት ኣምሓራን ኤርትራን ዘየክብረሎም እንተኾይኑ ባዕሎም ከኽብሩ ክግደዱ እዮም ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ነዚ ሕጋዊ ስግኣቶም ተረዲኡ ንኤርትራን ኣምሓራን ናብቲ ዘተ ሰላም ክዕድሞም ይግባእ።” ኣቶ ደሳለኝ ጫኔ መንግስቲ ግን ስጋብ ሕጂ ነዚ ኣመልኪቱ ዝበሎ የለን ክብሉ ወሲኾም ተዛሪቦም ። ወሃቢት ቃል ርክባት መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ ንድምፂ ኣሜሪካ ከምዝበለኦ \"ኩሉ ከይዲ ዘተ እቲ ስምምዕ\" እቲ ኮሚቴ ዝከታተሎ ምዃኑ ይገልጻ። \"መንግስቲ ሃገራዊ ስምምዕ ዝፈጥር ፣ ሰፊሕን ንኹሉ ዝሓቆ፟ፈን ህዝባዊ ዘተታት ዘተባብዕ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኣጣይሱ እዩ ። ኢትዮጵያውያን ሰላም ንምምፃእ ብሓባር ጠጠው ክንብል ኢና ። ፈደራል መንግስቲ'ውን ነቲ ምስ ክልል ትግራይ ዝካየድ መስርሕ ሰላም ዝከታተል ኮሚቴ ኣጣይሱ ኣሎ እዚ ፃዕሪ እዚ ኸኣ ሓፈሻዊ ተሳትፎ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ዘረጋግፅ እዩ።\" ብወገን ህወሓት እቲ ዘተ ወሳኒ ዝገበሮ ይመስል ። ወሃቢ ቃል እቲ ውድብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ከምዝበሎ ኣብ ኣመራርሓ ኮሚሽን ሕብረት አፍሪቃ ሕጂ እውን ምሉእ እምነት ከምዘይብሉ ከምኡ'ውን ላዕለዎት ኣመራርሓ ሕብረት አፍሪቃ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዘለዎም ዝለዓለ ምቅርራብ “ከየስተብሃልሉ ኣይተረፈን ” ኢሉ ። እቲ መግለፂ ኣብቲ ብፕረዚደንት ኬንያ አኣንጋዲነት እቶም ወገናት ኣብ ኬንያ ክራከቡ ዝዓለመ ውሳነ ከምዝቕበሎ ይሕብር ይብል ። ቤልጅየም ዝመደብሩ ኣብ ኢንተርናሽናል ክራይሲስ ግሩፕ ትካል ምርምር ዝሰርሕ ተንታናይ ፖለቲካ ዊልያም ዳቪድሰን ከምዝበሎ እቲ ዘተ ካብ ሽምግልና ዝሰገሩ ካልኦት ጉዳያት ከካትት ይግባእ ይብል ። \"ንሰላም ዘተዓናቅ፟ፉ ብዙሓት ጉዳያት ኣለዉ ። ከምዝመስለኒ ፈለማ ፈደራላዊ ኣገልግሎታት ናብ ትግራይ ብፍላይ ከም ባንኪ ፣ ቴሌኮምኒኬሽን ኤለክትሪክን ዝበሉ መሓዉራት ምምላስ ኣድላዪ እዩ ። ካልእ ንህወሓት ከም ግብረ ሽበራዊ ዝተበየነሉ ኩነታት ኣሎ ። እቲ ዝዓበየ ግና ናይ ምዕራብ ትግራይ ጉዳይ እዩ።\" ክልል ኣምሓራ ነቲ ዘሰሓሕብ ዞባ ኣብቲ እዋን ኲናት ነቲ ኸባቢ ድሕሪ ምቁፅፃሩ ለቂ፟ቁ፟ ከምዘይወፅእ ክገልፅ ከሎ ህወሓት ግን ናይግድን ናብ ዝነበሮ ክምለስ ኣለዎ ይብል ። ኢትዮጵያዊ ተንታኒ ኪራም ታደሰ ብወገኑ በቲ ኲናት ዝተፀልወ ቁጠባዊ ኩነታት እታ ሃገርን ንድርቂ ሓዊሱ ናህሪ ዋጋን ካልኦት ጉዳያትን ክልቲኦም ወገናት ናብ ሰላም ገፆም ከዝሩ ኣገዲዱዎም ክከውን ከምዝኽእል ይዛረብ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ንኣባላት ቤትምኽሪ ኣብ ዘስመዎ ዘረባ ብሰንኪ እቲ ጎንፂ ልምዓት ይተዓናቀፍ ምህላዉ እዮም ገሊፆም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B0-%E1%88%9D%E1%89%9B%E1%88%99-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/6620531.html"} {"headline":"ሰናይ ተግባር - ድሕሪ መሪር ተመኵሮ","content":"14 ሰነ ዓለምለኸ መዓልቲ ልግሲ ደም’ዩ። ነዚ ኣጋጣሚ ምርኵስ ብምግባር፡ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ማሕበር ለገስቲ ደም ኤርትራ’ውን ንወሃብቲ ደም ዘተባብዕን ንኣገዳስነት ልግዲ ደም ዘብርህን ጻውዒት ገይሮም ነይሮም። ኣብ ወለንታዊ ምልጋስ ደም እትነጥፍ ኣብነታዊት ስድራ ኣዘራሪብና ኣለና። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%88%AD----%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%88%98%E1%88%AA%E1%88%AD-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8A%B5%E1%88%AE\/6620329.html"} {"headline":"ዓሰርተታት ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ህጻናት ብሕጽረት መግቢ ይሳቐዩ","content":"ከም ሳዕቤን ተኸታተሊ ደርቂ: ስእነት እኹል ሓገዝን፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ህጻናት ብኣዝዩ ጽንኩር ሕጽረት ዝተመጣጠነ መግቢ ይሳቐዩ ከም ዘለዉ፡ ንምንጭታት ህጻናት ኣድሕን (Save the Children) ዝተባህለ ትካል ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ጸብጺቡ። ኣብቲ ንኣርባዕተ ናይ ዝናብ ወቕታት ምምዝባል ዝተራእዮ ኣከባቢ፡ ሎሚ ዓመት’ውን ንሓሙሻይ ወቕቲ ብዘይ እኹል ዝናብ ይቕጽል ምህላዉ፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ኣርብዓ ዓመታት ዝተራእየ ዝኸፍአ ምዃኑ ዝተገልጸ ደርቂ ምግጣሙ እቲ ዜና ይጠቅስ። እቲ ደርቂ ንኣስታት ልዕሊ ሚልዮን ዝዀኑ ህዝቢ ካብ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ሶማልን ጸልዩ ኣሎ። እቲ ኵነታት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝኸፍአ ምዃኑን ንልዕሊ 185-ሽሕ ህጻናት ብኸቢድ ጸልዩ ምህላዉን ናይ ኢትዮጵያ ዳይረክተር እቲ ትካል ህጻናት ገሊጹ። ነቲ ዘጋጠመ ሰንሰለታዊ ደርቂ፡ ለበዳ ኮቪድ19ን ኲናትን ተወሲኹዎ መሊሱ ከም ዘጋደዶ ድማ እቲ ዜና ይጠቅስ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%BD%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%85%E1%8C%BB%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%95%E1%8C%BD%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8B%AD%E1%88%B3%E1%89%90%E1%8B%A9\/6620134.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ ኣብዚ ዓመት ዝበዝሓ ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ሰባት ምምዝጋቡ ሓቢሩ","content":"ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ዓመት ኣብ ዙርያ ዓለም ዝተመዛበሉ ኣህዛብ 89.3 ሚልየን ምዃኑን እዚ ድማ ዛጊት ካብ ዝተራእየ ዝለዓለ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ኣብ ጸብጻቡ ካብ 2021 ዝነበረ ምምዝባል ሎሚ ዓመት ብ8% ምውሳኹ ይገልጽ። እቲ ቁጽሪ ዝያዳ ክውስኽ ዝኸኣለ ድሕሪ ወራር ሩስያ ንዩክሬን ምዃኑ`ውን ኮሚሽነር እቲ ትካል ፍሊፖ ግራንዲ ጠቒሱ`ሎ። ኣብ ዩክሬን ጥራሕ ካብ 12 ክሳብ 14 ሚልየን ዝበጽሑ ካብ መነባብርኦም ተፈናቒሎም ክብሉ ፊሊፖ ግራንዲ ይገልጹ። ዓለም ኣብ ዩክሬን ኣተኩርሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ቅድሚ ዩክሬንን ድሕሪ ዩክሬንን ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ`ውን መንግስታት ከስተብህልሉ ይግባእ ዝበለ ፊሊፖ ግራንዲ ንኢትዮጵያ: ኣፍጋኒስታን: ሶርያ: ደቡብ ሱዳን ከምኡ ፍልስጢማውያን ስደተኛታት ከም ኣብነት ጠቒሱ። ንስደተኛታት ኣብ ምቕባል ድማ ቱርኪ ቀዳመይቲ ምህላዋ፡ ድሕሪኣ ድማ ኮሎምቢያ:ኡጋንዳ: ፓኪስታን: ጀርመን ከምዝስዕባ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ። ኣመሪካ ድማ ብዳግመ-ሰፈራ ሕጂ `ውን ቀዳመይቲ ኮይና ምቕጻላ ኣብቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ጸብጻብ ተጠቒሱ`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%9A-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%8B%9D%E1%88%93-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%90%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8C%8B%E1%89%A1-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6620243.html"} {"headline":"ኣብ ጎንጺ ደቡብ ኦሞ ካብ ዝተኣሰሩ ሰባት ኣብ ልዕሊ 390 ክሲ ምምስራቱ ኣመሓዳሪ'ቲ ዞባ ገሊጹ","content":"ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ዞባ ደቡብ ኦሞ፡ ዝሓለፈ ግንቦት ኣብ ጎንጺ ተሳቲፍኩም ተባሂሎም ተኣሲሮም ካብ መንጎ ዝጸንሑ 1500 ዝኾኑ ሰባት ን390 ክሲ ከምዝተመስረተሎም ተሓቢሩ። ኣብቲ እዋን ንኣውርጃኦም ተወሳኺ ርእሰ-ምምሕዳር ክወሃብ ዝጽውዕ ሰልፊ ኣብ ዘካየድሉ እዋን እቲ ሰልፊ ናብ ጎንጺ ተቐይሩ ኣብ ከተማ ጂንካ ኣስታት 160 ኣባይትን ድኳናት ከምዝዓነወ ክግለጽ ጸኒሑ`ዩ። ምኽትል ኣመሓዳሪ`ቲ ዞባ ዳማ በዛብህ ንድምጺ ኣመሪካ፡ ነቶም 390 ሰባት ንምኽሳስ እኹል መረዳእታ ሒዝና`ለና ኢሉ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8C%BA-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8A%A6%E1%88%9E-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%A3%E1%88%B0%E1%88%A9-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-390-%E1%8A%AD%E1%88%B2-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%89%B1-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%B3%E1%88%AA-%E1%89%B2-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6620155.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ:ንኣዋርሕ ኣብ ቐይዲ ዝጸንሑ 2 ጋዜጠኛታት ዝርከብዎም 17 ሰባት ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም","content":"ክልተ ጋዜጠኛታት መሓውራት ዜና ኦሮምያን ካልኦት 17 ሰባትን ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበበ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ኔሮም። ንሳቶም ንመንግስቲ ብሓይሊ ክትዓልዉ ፈቲንኩም ዝብል ክሲ`ዩ ተመስሪትዎም ዘሎ። ብመሰረት ጠበቓ ተኸሰስቲ፡ ዳኛ ንዓቃቢ ሕጊ ነቲ ክሲ ከመሓይሽ ሓደ ሰሙን ሂብዎ`ሎ። እቲ ክሲ ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉ`ዩ ክብል`ውን እቲ ጠበቓኦም ይማጎት። እቶም ተኸሰስቲ ንዝሓለፈ ሸውዓተ ኣዋርሕ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ'ዮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%90%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%91-2-%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5%E1%8B%8E%E1%88%9D-17-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%89%80%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D-\/6620171.html"} {"headline":"ኤርትራዊት-ኣመሪካዊት ፕሮፈሰር ጸዳል ኒልይ ካብ ጓል ስደተኛታት ናብ ተሓባበሪት ዲን ዩኒቨርስቲ ሃርቫርድ","content":"ካብ ኤርትራውያን ስድራ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ተወሊዳ፡ ብህጻንነታ ኣብ በበይኑ ሃገራት ድሕሪ ምቕማጥ ኣብ መጨረሽታ ኣብ ቦስተን ኣመሪካ ዝተማህረት ፕሮፈሰር ጸዳል ኒልይ፡ ኣብ ናይ ሃርቫርድ ዩኒቨርስቲ ኮለጅ ቢዝነስ ላዕለወይቲ ተሓባባሪት ዲና’ያ። ዳይረክተር ማእከል ስልጠናን ትምህርቲን እቲ ኮለጅ’ውን ዝኾነት ፕሮፈሰር ጸዳል፡ ሓንቲ ብፍቕዲ ኣጻብዕቲ ዝቝጸራ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ላዕለዋይ ትምህርቲ ካብ ዝበጽሓ ኣፍሪቃዊያን ኣመሪካዊያን ደቀንስትዮኢያ። ንድሕረ-ባይታንኣን ናብዚ ደረጃ ዘብጽሓ ጽልዋን ኣመልኪትና ቃለ-መሕተት ኣካዪድናላ ኣሎና። ሕቶ፤ ኣብ መጨረሽታ እንቋዕ ክንራኸብ በቓዕና ፕሮፈሰር ጸዳል፡ ብዛዕባ ኣተዓባብያኺ፡ ጽልዋኺን ስራሕኪን ሓፈሻዊ ሕቶታት’ዩ ዘሎኒ። መጀመሪ ክኾነና ግን ኣበይ ተወሊድኪን ዓቢኽን እንተ ትሕብርኒ፧ መልሲ፤ ንስለ ዕድመኻ ኣዝየ አመስግንን፡ ምስ ሰማዕትኹምን ተዓዘብትኹምን ምርኻበይን ሓጎስ እስመዓኒ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ’የ ተወሊደ። ድሕሪኡ ጓል ኣርባዕተ\/ሓሙሽተ ዓመት ምስ ኮንኩ ስድራይ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ይግዕዙ ነይሮም። ገለ ካብኣተን ኩዌት፡ ኬንያን’የን። ድሕሪኡ ከኣ ኣብ ቦስቶን ኣመሪካ ዓሪፎም። እዚ ምናልባት ቅድሚ 35 ዓመታት ኣቢሉ’ዩ ዝኸውን ዘሎ። ስለዚ ኣብ ቦስቶን’የ ዓብየ። ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣብ ካምብሪጅ ኣብ ዝብሃል ከተማ ኣብ ማሳሱተች ተማሂረ። ሕቶ፤ ድሕሪ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ’ኸ ንዩኒቨርስቲን ካልእ ላዕለዋይ ትምህርቲን ናበይ ቀጺልኪ፧ መልሲ፤ ድሕሪ ካልኣይ ደረጃ ናብ ቦስተን ኮለጅ፡ ኣብ ሓደ ናይ ጀዝዉት ቤት ትምህርቲ’የ ቀጺለ። እቲ ቤት ትምህርቲ ኣቦይ ኣብ 1950ታት ናይ ድሕረ-ምርቓ (ማስተርስ) ብምምሕዳር ቢዝነስ (MBA) ዝተማህረሉ’ዩ። ስለዚ እቲ ቤት ትምህርቲ ስድራይ ዝተማህሩሉ’ዩ። ሓደ ምዝካር ዘድልዮ ድማ ገና ጓል 15 ዓመት ከለኹ’የ ኮለጅ ጀሚረ። ስለዚ ኣዝየ ንእሽቶ’ውን ስለ ዝነበርኩ፡ ስድራይ፡ ብዘይካ ትምህርቲ፡ ሃይማኖታዊ ጽልዋ ዘለዎ ቤት ትምህርቲ ንሓንቲ ንእሽቶ ተመሃሪት ጽቡቕ ጽልዋ ከሕድረላ’ዩ ዝብል እምነት ነይሩዎም። ስለዚ ብቤት ትምህርቲን ብዓይኒ ክገብረለይ ዝኽእል ናይ ስነ-ምግባር ምኹስኳስን’ዮም ጠሚቶሞ። ብሓፈሻ ጽቡቕ ተመኵሮ ህይወት’ዩ ነይሩ። ሕቶ፤ ኣቦኺ ኣቐዲሞም ኣብ ኣመሪካ መጺኦም ናይ ትምህርቲ ምሕደራ ከም ዝተማህሩ’ውን ጠቒስኪ ጸኒሕኪ’ሞ ብዛዕባ ስድራኺ እስከ ቍሩብ ንገርኒ። መልሲ፤ ብዛዕባ ስድራይ ክዛረብ ቃላት እሓጽረኒ። ኣቦይ ናይ ኤምቢኤ(MBA) ትምህርቱ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ዶክተረይት ትምህርቲ’ውን ጀሚሩ ነይሩ። ንዕኡ ኣቋሪጹ ግን ናቱ ንግዲ ከፊቱ፡ ወትሩ ድማ ኣብ ናይ ውልቁ ስራሕ’ዩ ዝነጥፍ ነይሩ። ኣብ ንኣሽቱ ትካላት ከም ድኳን ወይ ካልእ ንግዳዊ ስራሓት፡ ወይ ድማ ከም ገዛውቲ ምሻጥን ምግዛእን ወዘተ ይዋፈር ነይሩ። ኣደይ ከኣ ኣዝያ ንፍዕቲ፡ ሓላዪትን ክኢላን ሰብ’ያ። ቀዳማይን ናይ ድሕረ-ምረቓን (ማስተርስ) ትምህርቲ ኣለዋ። ብቐንዱ ስድራይ ተመሃሮ ናይ ፉል-ብራይት (Fullbright) ማህደረ-ትምህርቲ እንከለዉ’ዮም ኣብ ኔዘርላንድስ ተራኺቦምን ተላልዮምን። ኣብኡ ተፋቒሮም፡ ድሕሪኡ ንዓዲ ተመሊሶም፡ ኣብ 1960ታት ተመርዕዮም። ብድምሩ ዕድለኛ ሰብ’የ ክብለካ እኽእል። ብዙሓት ደቀንስትዮ ስሩዕ ትምህርቲ ይወስዳሉ ኣብ ዘየነበራ እዋን፡ ኣደይ ግን ናይ ማስተርስ ትምህርቲ’ውን ነይሩዋ። ኣብ ስድራይ ከኣ ትምህርቲ ወትሩ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ’ዩ ነይሩ። ስለዚ ትምህርተይ ከም ዝቕጽል ካብ ፈለማኡ ንጹር መስመር’ዩ ነይሩ። ሕቶ፤ ክንደይ የሕዋት ኣለዉኺ፧ መልሲ፤ ሰለስተ ኣሕዋት ኢና። ኣብ መንጎና ብዙሕ ናይ ዕድመ ፍልልይ የሎን፡ እታ ሓንቲ ብኽልተ እታ ሓንቲ ድማ ብኣርባዕተ ዓመታት’የን ዝዓብያኒ። ሓንቲ ሓብተይ ኣብ ጆርጂያ ትነብር፡ እታ ካልኣይቲ ድማ ኣብ ቦስቶን ምስ ስድራይ ኣላ። ሕቶ፤ ኣብ ኮለጅ እንታይ ዓውደ-ትምህርቲ ኣጽኒዕኪ፧ መልሲ፤ እወ፦ መራኽቢታት’የ ተመሂረ። ናይ ስራሕ ተመኵሮ ህይወተይ እንተ ተዓዚብካ’ውን ወትሩ ምስ መራኸቢታት፡ ምብህሃል፡ ምትሕብባር፡ ሓባራዊ ስራሕን ወዘተን ዝተኣሳሰረ’ዩ። ናይ ንግዲ (ማርከቲንግ) ትምህርቲ’ውን እወስድ ነይረ። ሽዕኡ ኣይጎራሕኩን እምበር፡ ካልኣይ ዲግሪ’ውን ብእኡ ምግበርኩ። እዚ ግን እናሓደረ ክጠቕመኒ ጀሚሩ’ዩ። ስነ-ርክብ ከም ምምሃረይ መጠን ግን ወትሩ ብርክባትን ሰብኣዊ ምትሕብባርን ምስ ተደነቕኩ’የ። ሰብ ከመይ ይበሃሃልን ይወሃሃድን ይዓጅበኒ። ሕቶ፤ እዚ እዋን መዓስ’ዩ ዝኸውን ዘሎ፧ ጓል ክንደይ ዓመት ኔርኪ ኣብቲ እዋን፧ መልሲ፤ ዘደንጹ’ዩ። ጓል 15 ትምህርቲ ኮለጅ ጀሚረ፡ ጓል 19 ድማ ወዲአ። እዚ ግን ኣብ ደቀይ ክድገም ኣይደልዮን’የ። ቀስ ኢሎም ብግዚኦም ክውድኡ’የ ዝደፍኦም ዘለኹ። ናብ ኮለጅ ክኣቱ ከለኹ ናይ ትምህርቲ ብስለትን ቅሩብነትን ነይሩኒ። ብኻልእ ማሕበራዊ ህይወትን ተመኵሮን ግን ምናልባት ከምቲ ዝደል ገስጋስ ኣይነበረንን። ብእኡ ስለ ዝተሻቐለ ከኣ’ዩ መስለኒ ኣቦይ ናብቲ ናይ ጀዝዊት ኮለጅ ቦስተን ዝሰደደኒ። ንኮለጅ ክኣቱ ከለኹ፡ ስድራይ ዘቐመጡዎ ቅድመ-ኵነት ነይሩ። ካብቲ ዝነበረናዮ ክፍሊ-ሃገር (ማሳሱተች) ወጻኢ ክመሃር ኣይፈቐዱን። ኣብ ናይ ጀዝዊት ቤት ትምህርቲ ክመሃር ከኣ ድሌት ነይሩዎም። ስለዚ ኮለጅ ቦስቶን ንዅሉ ድሌታቶም እተማልእ ኰይና ጸኒሓ። ሕቶ፤ ድሕሪኡ ንናይ ዶክተረይት ትምህርቲ ንዩኒቨርስቲ ስታንፎርድ ኢኺ ቀጺልኪ። ኣብ መንጎ ግን ትሰርሒ ኔርኪ ዲኺ፧ ኣብ መንጎ ብዛዕባ ዝነበረ ግዜ ክትነግርኒ፧ መልሲ፤ ብዙሕ’ዩ ኮይኑ። ናይ ቀዳማይ ዲግሪ ድሕሪ ምርካበይ፡ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ኣቢሉ ንስድራይ ናቶም ትካል ከቝሙ ተሓጋጊዘን ኣብኡ ነጢፈን። ሕሳባት ኣብ ምጽፋፍ፡ ዘድሊ ቀረባት ኣብ ምምጻእን ካልእ ንጥፈታትን እሰርሕ ነይረ። ብሓቂ ጽቡቕ እዋን’የ የሕሊፈ። ምስ ኣቦይ ብቐረባ ግዜ ከሕልፍ ድማ ዕድል ፈጢሩለይ። ድሕሪኡ ሓደ ነገር ኣጓኒፉ። ኣብ ቦስተን ኮለጅ መምህረይ ዝነበረ ሰብ ቴለፎን ደዊሉ፡ ናብ ድሕረ፡ምርቓ ትምህርቲ ተመልክቲ’ዶ ኣለኺ፧ ኢሉ ሓቲቱኒ። ኣይተጸበኹዎን፡ ሓንጎለይ’ውን ንዕኡ ቅሩብ ኣይነበረን። ራልፍ ኤድዋርድስ’ዩ ዝብሃል ስሙ። “ንስኺ ናብ ካልኣይ ዲግሪ ክትቅጽሊ ዘለኪ ሰብ ኢኺ። ኣድራሻ ናይ ገዛኺ ስደድለይ እሞ፡ ናብተን ከተመልክተለን እትኽእሊ ኣብየተ-ትምህርቲ ዝርዝር ክሰደልኪ’የ፡” ኢሉኒ። ናይ ሰለስተ ዩኒቨርስታት ሰዲዱለይ። ናይ ስነ-ኣእምሮ መደብ ትምህርታዊ ምዕባለ ዝብል ዓውዲ ርእየስ ደስ ኢሉኒ፡ ናብኡ ድማ ኣመልኪተ። ኣይተጸበኹዎን ግን ሰለስቲአን ዩኒቨርስታት ተቐቢለናኒ። ሓንቲ ካብኣተን ሃርቫርድ’ያ። ስለዚ ናይ ማስተርስ ትምህርተይ ብሁማን ደቨሎፕመንት ሳይኮሎጂ ወዲአ። ድሕሪ ናይ ማስተርስ ትምህርቲ ምውደአይ ንዓስርተ ዓመታት፡ ኣብ በበይኑ ትካላት ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ሰሪሐ። ሓንቲ ካብ ኣቦይ ዝወስድኩዋ ምኽሪ፡ ትካላት ከመይ ኢለን ገንዘብ ይገብራ ክትፈልጢ ኣሎኪ ትብል’ያ ነይራ። ስለዚ ኣብ ብዙሓት ትካላት ምስ ንግዲን ተመሳሳሊ ልውውጥን ዝምልከት ኣብ በበይኑ ቦታ ከም ኣሻያጢት፡ ኣማኻሪትን ካልእን ኣገልጊለ። እተን ዝሰራሕኩለንን ትካላት’ውን ዝተፈላለያ’የን። ድሕሪ ናይ ዓሰርተ ዓመታት ጻንሖት ብዛዕባ ባህርያት ትካላት ኣዳቒቐ ክፈልጥ ክኢለ። ድሕሪኡ ምስቲ ዝነበረኒ ናይ ስነ-ሓበሬታ ዝንባለን ተመኵሮን ኣብ ዩኒቨርስቲ ስታንፎርድ ብምሕደራ ስነ-ፍልጠትን ስነ-ምህድንስናን (management science and engineering) ናይ ዶክተረይት ትምህርቲ ጀሚረ። ናይ ሓሙሽተ ዓመት ናይ ዶክተረይት ትምህርቲ ድሕሪ ምክትታለይ ድማ ናብ ኣካዳሚ ተመሊሰ። ክሳብ ሕጂ ከኣ ኣብኡ ኣለኹ። ሕቶ፤ ብዙሕ ግን ከኣ ኣዝዩ ዕዉት መገዲ ኢኺ ተጓዒዝኪ። እቲ ቀንዲ ጽልዋ ናትኪ መንፍዓት ዲዩ ወይስ ናይ ስድራኺ ጽልዋ ወይ’ውን ካልኦት ኣካላት ድፍኢት፧ መልሲ፤ ንስለ’ቲ ቃልካ አመስግነካ። ከም ዝመስለኒ ድምር ናይ ብዙሕ ነገራት’ዩ። ሓደ ካብኡ ናይ ስድራቤት ጽልዋን ብኣርኣያ ምምራሕ ጽቡቕ ኣብነትን’ዩ። ኩሉ ከምቲ ክኾኖ ዝግበኦ’ዮም ገይሮሞን ሰሪሖምን። ኣብ ማሕበረኮማት ብዙሕ ሰሪሖምን ንኸባቢኦም ክሕግዙ ፈቲኖምን። ትካላት ንግዲ ሃኒጾምን መሪሖምን። ኣበርቲዕካ ክትሰርሕን ነዊሕ ዕላማ ጌርካ ክትዓዪን ኣብ ስድራቤተይ ጓና ኣይኮነን። ኣነ ከኣ እናጸንሑ ብዙሕ ጽቡቕ ዕድላት’ዮም ገጢሞምኒ። ዝኣልዩን ንቕኑዕ መገዲ ዝመርሑን ኣብነታውያን መምሃራን፡ ኣዕሩኽ፡ ቀረብቲን ረኺበ። እዚኣቶም ብሞያን ትምህርቲን ኣብቲ ክበጽሖ ዝደሊ ንኽእንፍት ዓቢ ተራ ገይሮም። ምልስ ኢለ ክርእዮ እንከለኹ፡ ሓደ ዓቢ ዕላማ ብደገ ምስ ዝደፍኣኒ ኣበርቲዐ ክሰርሕ ሓይሊ እረክብ። ሓደ ኣብነት ክጠቕሰልካ። ሕጂ ክልተ ደቂ ኣለዉኒ። ንዓኣቶም ምስ ወለድኩ፡ ነዛ ዓለም ወይ ድማ ነቲ ከባቢየይ ካብቲ ዝጸንሓትኒ ብዝበለጸ ክሓድጎ ሓላፍነት ከም ዘሎኒ ተሰቊሩኒ፡ ብእኡ ዕላማ ድማ እሰርሕን እነብርን። ሕቶ፤ ንምዃኑ ኣብዚ ናትኪ ደረጃ ዝበጽሓ ደቀንስትዮ ወይ ድማ ጸለምቲ ደቀንስትዮ ክንደይ ይዀና፧ ንምጅማር ዝኣክል ግን ኣለዋ’ዶ ብዝብል ሕቶ ክጅምሮ፧ መልሲ፤ ንኣብነት እኳ ዲን ኮለጅ ዋርቶን ናይ ፐንሲልቫኒያ ዩኒቨርስቲ ዘላ ኤሪካ ጀምስ ኣላ። ከመይ ዝበለት ብጸይቲን መሓዛን’ያ። ኣዝያ በላሕ ሰብን ኣብ ጉዳያት ጸለምቲ ኣበርቲዓ እትሰርሕን ኣድኒቐ ዘይጸግባ ሰብ’ያ። ብሓፈሻ ክትርእዮ ከለኻ ግን ኣዝዩ ትሑት’ዩ። ኣነ ሕጂ ላዕለወይቲ ተሓባባሪት ዲን፡ ከምኡ’ውን ዳይረክተር ማእከል ትምህርቲ ኣብ ኮለጅ’የ። ካብተን ኣዝየን ኣዝየን ውሑዳን ምዃነይ ዘጠራጥር የብሉን። ክሳብ ሕጂ ኣብ ኮለጅ ቢዝነስ ናይ ዩኒቨርስቲ ሃርቫርድ ቀዋሚ መዝነት ምምህርና (tenured) ዝኾኑ ክልተ ጸለምቲ ፕሮፈሰራት ጥራይ’ዮም ዘለዉ። ሓንቲ ድማ ኣነ’የ። ቀንዲ ተስፋይን ሕልመይን ድማ ኣብ ዝመጽእ ዓሰርተ ዓመታት ካብቶም ኣዝዮም ውሑዳን’የ ዝብል ኣገላልጻ ነውግድ ንኸውንን። ንሱ’ዩ ትጽቢተይ። ሕቶ፤ ነተን ካብ ኤርትራ፡ኢትዮጵያ ወይ ድማ ካልእ ቦታታት ዝመጻ ደቀንስትዮ መንእሰያት ስደተኛታት እንታይ ምኽሪ ትህቢ፧ መልሲ፤ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ምፍላጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ከዘኻኽር ምደለኹ። ኣብ ነብሰን ከውፍራን ነብሰን ከማዕብላን ወሳኒ’ዩ። እቲ ዓይነት ትምህርቲ እንታይ ምዃኑ ብዘይገድስ፡ ናይ ትምህርቲ ዕድል ምስ ዝረኽባ ክቕጽላ፡ ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ ንሕብረተሰብ ዝጠቅም ኣበርኽቶ ምግባርን ኣብኡ ምውፋርን’ውን ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። ካልእ ድማ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ምስ ቴክኖሎጂ ዝተኣሳሰር ኣፍልጦን ክእለትን ክህልወካ ቍልፊ’ዩ። ቅድሚ ውሑድ መዓልታት፡ሳልሰይቲ ምዃና’ያ፡፡ምስ ካልኣየይ ኮይነ ዘዳለኹዋ መጽሓፍ ናብ ኣንበብቲ ዘርጊሐ ነይረ። ኣርእስታ ጥThe Digital Mindset: What It Really Takes to Thrive in the Age of Data, Algorithms, and AI ዝብል’ዩ። ናብ ዲጂታላዊ ዓለም፡ ዲጂታላዊ ቍጠባን ኢና ንኣቱ ዘሎና። ከመይ ኮድ ከም ዝግበርን ካልእ መሰረታዊ ቅማረታትን ኣብ ምስራሕ ኢና ዘሎና። ስለዚ እቲ ኣንፈት ናብኡ ስለ ዝዀነ፡ ክንደይ ግዜ ወሲዱ ብዘይገድስ ሰብ ቀስ እናበለ’ውን ክመሃር እንተ ዝኽእል ጽቡቕ’ዩ። ግድን ዝለዓለ ዲግሪ ክኸውን ኣድላዪ ኣይኮነን። ቀዳማይ ወይ ተሓባብሪ (ኣሶሽትድ) ዲግሪ’ውን ክኸውን ይኽእል። ግን ዘገም ኢልና’ውን ትምህርቲ ንምቕጻል ክንሓስብ ጽቡቕ’ዩ። ምስዚ ዘሎ ግዜ ናይ ቍጽሪ ክእለት ክህልወካ ኣዝዩ ኣገዳሲ እናኾነ’ዩ ዝመጽእ ዘሎ። ናብ ዓቢ ናይ ሕሳብ ስነ-ፍልጠት (ዳታ ሳይንስ) ንጓዓዝ ከም ምህላውና መጠን፡ እዚ ክእለት ግድነታዊ እናኾነ’ዩ ዝመጽእ ዘሎ። ስለዚ ነዚ ተረዲኦም ናብቲ ዝዓበየ መገዲ ዘኽእል ክእለት ክድልቡ ሓጋዚ’ዩ፣ ንዕኡ ምስ ዝገብሩ ድማ ዝሓሸ መጻኢ ኣለዎም። ኣቦታትናን ኣደታትና ህርኩታትን ንዝበለጸ ስራሕ ከይደቀሱ ዝሓድሩን’ዮም። ስለዚ ድማ ነቶም ንኣሽቱ’ውን ሓደ ሰብ እኳ መገዲኹም ክዕንቅፍ ከይተፍቅዱን ዕድል ከይትሃቡን እብል። ብኻልእ ከኣ ኣዝዮም ሕያዎት ሰባት ክንረክብ ስለ ዝዀንና ነቲ ዕድላት ተጠቒምና ንቕድሚት ንሰጕም። ሕቶ፤ ንምዃኑ’ኸ ምስ ማሕበረሰብ ኤርትራ ወይ ኢትዮጵያ ምናልባት’ውን ኣብ ቀረባ ምስ ዝመጹ ስደተኛታት ምትሕሓዝ ኣለኪ’ዶ፧ መልሲ፤ ምስ ስድራቤተይ ግድን ኣሎኒ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ንኤርትራ ክኸይድ ኣይከኣልኩን። ድሌት ደኣ ይሃልወኒ እምበር፡ ኣብ ኤርትራ ግዜ ከሕልፍ ዘይምኽኣለይ ሕማቕ ይስመዓኒ። ንኢትዮጵያ ክኸይድ ግን ዕድል ረኺበ ነይረ። ናይ መጨረሽታ ኣብ 1998’ዩ። ክልተ ሰሙን ምስ ጸናሕና ዶባዊ ኲናት ጀሚሩ ቀልጢፍና ድማ ነቒልና። ግን ሓቂ ንምዝራብ፡ ስድራቤተይ ካብ ዓዶም ካብ ዝወጹ ዓሰርተታት ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። ስለዚ ቀሊል ኣይኮነን። ስለዚ እታ ቀንዲ መላግቦ ብመገዲ ስድራቤት ጥራይ’ያ። ንዓኣ ድማ ብውሑዱ ኣብቶም ናይ ቀረባ ስድራይ ክዕቅባ እፍትን። ሕቶ፤ መወዳእታ ሕቶይ’ያ። ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ ምስ ናይ ርሕቀት ስራሕ ኣመልኪትኪ ክልተ መጽሓፍ ከም ዝጸሓፍኪ ኣንቢበ ኣለኹ። ሕጂ ካልእ ከም ዝወዳእኪ’ውን ጠቒስኪ ጸኒሕኪ። ንምዃኑ ድሕሪ ሕጂ ናብቲ ናይ ቀደም ክንምለስ ንኽእል ዶ ይመስለኪ፧ ከመይ ኢና ክንቅጽል፧ መልሲ፤ ዲጂታላዊ ኣሰራርሓን ናይ ርሕቀት ርክብን ኣብ ህይወትናን ስራሕናን ህሉዋትን ቀጸልቲን ክዀኑ ምዃኖም ድሮ ተመስኪሩ ኣሎ። ስለዚ ከኣ ናብቲ ኣብ 2019 ዝነበረ ኣገባባት ክንምለስ ንኽእል ኣይመስለንን። ሕንፋጸ ናይ ብኣካልን ርሑቕን ርክባትን ስራሕን ክቕጽል’ዩ። ብሕልፊ ኣብቲ መሳለጥያታት መራኸቢ ዘለወን ሃገራት ምዕራብ፡ እቲ ንኣካልን ርሕቀትን ዘዋሰበ ኣገባብ ኣሰራርሓ ሓያሎ ሓደስቲ ነገራት ምሂሩና ኣሎና። ነዚ ተጠርዩ ዘሎ ተመኵሮ ምድርባዩ ድማ ኣይከኣልን’ዩ። ንኣብነት ኣነን ንስኻን ሕጂ ክንዛረብ እንከሎና ኣብ በበይኑ ስፍራ ኣሎና፡ ከም ብኣካል ዘሎና ጌርና ክንዛረብ ክንሰማማዕን ግን ጸገም የብልናን። ነዚ ተጠርዩ ዘሎ ክእለትን ተመኵሮን ደጊመ አመስግን። ግን ከኣ ነቲ ተጠርዩ ዘሎ ተመኵሮን ኣንፈት ኣሰራርሓን ዝበቅዕ ክእለትን ሞያን ከነማዕብል ኣድላዪ’ዩ። ኣብ ማዕዶን ኣካላን ብማዕረ ዝምስጥ ክእለት ኣቀራርባ፡ ኣሰራሓን ምልከትን ክህልወና ትጽቢት ይግበር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8D%88%E1%88%B0%E1%88%AD-%E1%8C%B8%E1%8B%B3%E1%88%8D-%E1%8A%92%E1%88%8D%E1%8B%AD-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8C%93%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A3%E1%89%A0%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%8B%B2%E1%8A%95-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%89%A8%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%88%83%E1%88%AD%E1%89%AB%E1%88%AD%E1%8B%B5-\/6619028.html"} {"headline":"ኣብ ከተማታት ክልል ኦሮምያ ዝነበረ ምልውዋጥ ተኹሲ ደው ምባሉ ነበርቲ ገሊጾም","content":"ኣብ ከተማታት ጋምቤላ፣ጊምቢን ደምቢ ደሎን ድሕሪ ናይ ትማሊ ምልውዋጥ ቶኺስ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ተቓወምትን ምርግጋእ ምፍጣሩ ነበርቲ ገሊፆም። ቤት ጽሕፈት ሰላምን ፀጥታን ክልል ጋምቤላ ብወገኑ እታ ከተማ ተረጋጊኣ ኣላ ኢሉ ኣሎ። ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚንኬሽን መንግስቲ ፌደራል ብወገኑ \"ሸኔን ኣጋራቱን ኣብ ጋምቤላን ደምቢ ደሎን ከምኡ እውን ኣብቲ ከባቢ ቶኽሲ እንተኸፈቱ እውን ብሓይልታት ፀጥታ ስጉምቲ ተወሲዱዎም’’ ክብል ገሊፁ። ብኻልእ ወገን ወሃቢ ቃል ንርእሱ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ኢሉ ዝፅውዕ ሓይሊ ምዃኑ ዝዛረብ ኣቶ ኦዳ ተርቢ ትማሊ ምስ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየዶ ቃለ ምልልስ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ጊምቢ፣ደምቢ ደሎ፣ኢናንጎናን ነጆን ከምኡ እውን ኣብ ጋምቤላ ምስ ዕጡቓት ግንባር ነፃነት ጋምቤላ ብምዃን ውፅኢታዊ ስርሒት ኣካይድና ኣለና ኢሉ ኣሎ። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ናይ ትማሊ ፓርላማ መደርኦም ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣዚዩ ወጽኢታዊ ሕጊ ናይ ምኽባር ዝበሉዎ ወፍሪ ተኻይዱ ልዕሊ 1,000 ኣባላት ሸኔ ተቐቲሎም ብኣሽሓት ድማ ተማሪኾም ክብሉ ገሊፆም ነይሮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8B%8D%E1%8B%8B%E1%8C%A5-%E1%89%B0%E1%8A%B9%E1%88%B2-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%89-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/6619062.html"} {"headline":"መልእኽቲ ቴለፎን ከም ደብዳበ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ መስመራት ስልኪን ኢንተርነትን ካብ ዘቋርጽ ዓመት ኣቑጺሩ'ሎ። ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዝርከቡ ቤተ-ሰብ ንኣዝማዶም ዝሰዱዎ መልእኽቲ ስልኪ፡ ካብቲ ንቡር መስርሕ ዝፍለ’ዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%89%B2-%E1%89%B4%E1%88%88%E1%8D%8E%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%89%A0\/6618947.html"} {"headline":"“ንህዝቢ ከየፍለጥና እንገብሮ ድርድር የሎን፡” ዶ\/ር ደብረጽዮን ገ\/ሚካኤል","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ንመስርሕ ዘተ ምስ መሪሕነት ክልል ትግራይ እተጽንዕ ኮሚተ ከም ዝመዘዘ ኣብ ትማሊ ሰሉስ ንፓርላማ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም ነይሮም። ነቲ ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ዝወጸ መግለጺን ካልእ ምስ ህሉዊን ኩነታት ትግራይን ኣመልኪቱ፡ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል መግለጺ ሂቡ ነይሩ። መንግስቲ ኤርትራ ብመገዲ ሚንስትሪ ዜና ኣቢሉ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ ነዊሕ ሓተታ፡ ክልል ትግራይ ንኤርትራ ንምውራርን ዓባይ ትግራይ ንምምስራትን ሕልሚን ምድላዋትን ይገብር ምህላዉ ከሲሱ ነይሩ። ጸኒሑ’ውን ከም ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ ደብዳብ ከቢድ ብረት ምፍጻሙ ጸብጺቡ ነይሩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8A%A8%E1%8B%A8%E1%8D%8D%E1%88%88%E1%8C%A5%E1%8A%93-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%AE-%E1%8B%B5%E1%88%AD%E1%8B%B5%E1%88%AD-%E1%8B%A8%E1%88%8E%E1%8A%95-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%8C%BD%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8C%88-%E1%88%9A%E1%8A%AB%E1%8A%A4%E1%88%8D\/6618895.html"} {"headline":"መርማሪ ኮሚሽን ሕ\/ሃ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ፤ “ዝዓመቘ ለጠቕታ” ዝበሎ ሪፖርት ኣውጺኡ","content":" ፍሉይ ልኡኽ መሓመድ ዓብድሰላም ባቢከር ከም ዝገለጾ፡ ምትእትታው ኤርትራ ኣብ ኲናት ኢትዮጵያ ነቲ “ገደብ-ኣልቦ” ዝበሎ ሃገራዊ ኣገልግሎት መሊሱ ከም ዘጋደዶ ይጠቅስ። ከም ኣዘራርባ እቲ ወኪል ድማ፡ ዕጫ እቶም ካብኡ ንምህዳም ዝፍትኑ መንእሰያት ዝጽበዮም ኣብቲ ሕሱም ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ዝርኣዮ ኣብያተ-ማእሰርቲ’ዩ ይብል።ግዳያት ግን እቶም ዝሃድሙ መንእሰያት ጥራይ ኣይኰኑን። “ብተዘዋዋሪ፡ ስድራቤት እቶም ካብ ዕስክርና ከምልጡ ዝፍትኑ’ውን ግዳያት’ዮም ዝዀኑ። ኣዝማዶም ወይ ስድራቤቶም ብምእሳር ካብቲ ዝሃደሙሉ ኢዶም ንኽህቡ ይገብሩዎም። ካብ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኲናትን ካብ መዓስከራት ተዓሊም ኤርትራን ክሃድሙ ፈቲኖም ዝተቐትሉ ከም ዘለዉ’ውን ጸብጻብ በጺሑኒ።” ብ4 ሕዳር 2020 ኣብ ዝጀመረ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ኣብቲ ኲናት ድሕሪ ምጽንባራ ኣሽሓት ሰራዊት ኤርትራ ከም ዝተሳተፉ እቲ ኮሚሽነር ይጠቅስ። እቲ ኲናት ድማ ነቶም ኣብ መዓስከራት ትግራይ ዝነበሩ ኤርትራውያንን ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ መንእሰያትን ከም ዝጸለወ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ ኣሎ። ከም ኣምሳያኡ ድማ ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ ናብ ካልእ ሃገር ክስደዱ ከም ዝተገደዱ ኮሚሽነር ባቢከር ኣመልኪቱ። ኣብ ርክብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ወኪሉ ዝቐረበ ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ኣምባሳድር ተስፋሚካኤል ገራህቱ’ዩ። ኣምባሳድር ተስፋሚካኤል ነቲ “መሰረት-ኣልቦ” ዝበሎ ክስታት ክምልስ ፍቓደኛ ዘይምዃኑ ጠቒሱ። ቀጺሉ፡ እቲ ሓበሬታ ኣብ ውሱናትን ሓላፍነት ዘይብሎም ምንጭታትን ተመርኲሱ ዝተኣከበ’ዩ ክብል ነጺጉ። ኣብ ኤርትራ ንሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ቅልውላው ከም ዘየሎ ዝጠቐሰ ኣምባሳድር ተስፋሚካኤል ገራህቱ፡ እኳ ደኣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝግበር እገዳዳት ከቋርጽ ጸዊዑ። ኤርትራ ኣብ ጥቅምቲ 2021 ኣባል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኰይና ንኻልኣይ እብረ ተመሪጻ። ፍሉይ ልኡኽ ባቢከር፡ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዘይተኸብር መጠን ንምስሊ እቲ ኮሚሽን ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ዘእቱ’ዩ ክብል ጠቒሱ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%81%E1%88%8D%E1%89%8B%E1%88%8D-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%88%AA%E1%8D%96%E1%88%AD%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%8C%BA%E1%8A%A1\/6617249.html"} {"headline":"ዕላል ምስ ደራሲ መጽሓፍ 'ድልዱላት ኣዕኑድ ዕውት ሓዳር'","content":"ምሁር ሕጊ ኣቶ ኣብርሃም ተስፋይ ካብ ኣትላንታ \"ድልዱላት ኣዕኑድ ዕዉት ሓዳር\" ትብል ሓዳስ መጽሓፍ ጽሒፉ'ሎ። ቅድሚ ሎሚ እውን ንሕብረተሰብ ይጠቅም ዝበሎ መጻሕፍትን ጽሑፋትን ብምብርካት ዝፍለጥ ኣቶ ኣብራሃም፥ ኣብዛ ዳሕረወይቲ መጽሓፉ፡ ኣብ ስደት ብዛዕባ ዘጋጥም ብድሆታት ሓዳርን መፍትሕታቱን ኣሚቱ'ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%95%E1%88%8B%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%B2-%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%88%93%E1%8D%8D-%E1%8B%B5%E1%88%8D%E1%8B%B1%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%95%E1%8A%91%E1%8B%B5-%E1%8B%95%E1%8B%8D%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8B%B3%E1%88%AD-\/6617459.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ፣ ምስ ህወሓት ንምልዛብ ንዘኽእሉ ኩነታት ተጽንዖ ከምዘላ ገሊጻ","content":"ኢትዮጵያ፣ ምስ ህወሓት ንምልዛብ ንዘኽእሉ ኩነታት ተጽንዖ ከምዘላ ገሊጻ። ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ሰሉስ ንፓርላማ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ብምክትል ቀ\/ሚ ደመቀ መኮንን ዝምራሕ ኮሚቴ፣ ካብ 10 ክሳብ 15 መዓልታት ኣብ ዘሎ ጊዜ፣ ንፈጻሚ ስራሕ ፓርቲ ብልጽግና፣ እቲ ጉዳይ ዝምልከት ሪፖርት ከምዘቅርብ ኣፍሊጦም። እቶም ቀ\/ሚ \"እቲ ኮሚቴ፣ ንሰላም ዝምልከት፣ ኢትዮጵያ ዘድልያ እንታይ እዩ፧ እንታይ’ከ ንምዕዋት እዩ ንላዘብ፧ ከመይ ገይርና ኢና ንላዘብ፧ ንዝብሉ ሕቶታት ኣብ ምጽናዕ እያ ጸኒሓ\" ኢሎም።እታ ኮሚቴ ስርሓ ምስ ዛዘመት፣ ውጽኢት ስርሓ ናብ ህዝቢ ብወግዒ ከምዘፍልጥ’ውን ሓቢሮም። እቶም ቀ\/ሚ ምስ ህወሓት ይላዘቡ ከምዘለው ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክቓላሕ ምጽንሑ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ \"ጊዜ ምስ ኣኸለን ልዝብ ምስ ጀመርና ክንዛረበሉ ኢና\" ክብሉ ምላሽ ሂቦም። ናብ ልዝብ ንኣቱ እንተኾይኑ ንኢትዮጵያ ወኪሉ ዝላዘብ እታ ኮሚቴ ከምትኸውን ቀ\/ሚ ኣብይ ኣብ ናይ ሎሚ መግለጺኦም ሓቢሮም። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፣ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም፡ ናብ ኣቦ-መንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት መሻርኽቲን ዝጻሓፍዎን ንህዝቢ ቅሉዕ ኣብ ዝገበሩዎን መልእኽቶም፣ ምምሕዳሮም ነባሪ ሰላም ንምምጻእ ወትሩ ቅሩብን ኣብ በበይኑ ጽምዶ ክሳተፍ ከም ዝጸንሐን ገሊጾም። ንኹሉ ሓቆፍን ክፉትን ዘተ ድሉውነቶም ዝገለጹ ዶክተር ደብረጽዮን፡ ናብ’ቲ ብኬንያ ዝምራሕ ልዝብ ሰላም ልኡኽ ክሰዱን ኣብቲ ጉዳይ ብግልጺ ክዛረቡን ድሉው ምዃኖም ኣመልኪቶም ኣለዉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8B%9B%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%8A%BD%E1%8A%A5%E1%88%89-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8C%BD%E1%8A%95%E1%8B%96-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8B-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BB\/6617204.html"} {"headline":"ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ክልል ኦሮምያ ውግእ ከምዝነበረ ተሓቢሩ","content":"ኣብ ክልል ኦሮምያ ምዕራብ ወለጋን ጊምቢን፣ ቄለም ወለጋ ዞባ ደምቢ ዶሎን፣ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስቲን ንርእሱ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ መንግስቲ ግን ሸኔ ጉጅለ ሽብር ዝብሎ ሓይሊ ውግእ ከምዝነበረ ተፈሊጡ። ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ ኣብ ከተማ ጋምቤላ፣ ካብ ኣጋወጋሕታ ክሳብ ኣስታት ፍርቂ መዓልቲ፣ ተኹሲ ይስማዕ ከምዝዋዓለ ዝመጸ ዜና ሓቢሩ። ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ክልል ጋምቤላ ሎሚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ \"ኣብ’ታ ከተማ ተዂሲ ኣብ ልዕሊ ዝኸፈቱ ዕጡቃት ሸኔን ግንባር ናጽነት ጋምቤላን ስጉምቲ ተወሲዱ ኣሎ\" ኢሉ ኣሎ። ወሃቢ ቃል ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ እየ ዝብሉ ኣቶ ኦዳ ተርቢ ብወገኖም ምስ ሰራዊት ናጽነት ጋምቤላ ሓባራዊ ስርሒት ከምዝፈጸሙ ሓቢሮም ኣለው ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A8-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8B%8D%E1%8C%8D%E1%8A%A5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6617226.html"} {"headline":"ፕሮፈሰር ምትኩ ሃይለ ንዝለዓለ ሽልማት በቒዖም","content":"ኣብ ፈረንሳ ዝመደበሩ ዓለምለኸ ኮንፈደረሽን ላዕለዋይ ትምህርቲ ንሕርሻን ሳይስን (GCHERA) ዝተሰምየ ዘይመኽሰባዊ ትካል፡ ንፕሮፈሰር ምትኩ ሃይለን ኣብ ገንት ዩኒቨርስቲ በልጅዩም ዝምህሩ ዝነበሩ ፕሮፈሰር ማርክ ቫን ሞንታጉን ዕዉታት ናይ ዓመተ 2021 ክብል ረቚሑ። ዕዉታት ብልጫኦም ን21 ሰነ ኣብ ቻይና ኣብ ዝጋባእን ብማንዛ ዝመሓላለፍን ስነ-ስርዓት ክቕበሉ’ዮም። ነዚ ክብሪ ዝበቕዑ ፕሮፈሰር ምትኩ ሃይለ ቀዳማይ ፕረዚደንት መቐለ ዩኒቨርስቲ ኰይኖም፡ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ኣብ ላዕለዋይ ትካላት ትምህርቲ ብዝተፈላለየ ጽፍሒ ዝሰርሑ’ዮም። ከም መግለጺ እቲ ትካል፡ ፕሮፈሰር ምትኩ፡ ንህዝቦም ኣብቲ ዝኸፍአ እዋን ብኣብነታዊ ኣመራርሓን ምኽሪን ብምሃብ ይቕጽሉ ምህላዎም ብፍሉይ ይጠቕሶም። እዚ ንላዕለዎት ተመራመርቲ ኣብ መዳይ ሕርሻን ስነ-ፍልጠትን ምርምር ንኽገብሩ ዝሰርሕ ትካል፡ ኣብ 1998 ዝተመስረተ ኢዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8D%88%E1%88%B0%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8A%A9-%E1%88%83%E1%8B%AD%E1%88%88-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%88%88%E1%8B%93%E1%88%88-%E1%88%BD%E1%88%8D%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%89%A0%E1%89%92%E1%8B%96%E1%88%9D\/6616851.html"} {"headline":"ክልል ኦሮሚያ ንልዕሊ 3,600 ተኣረምቲ ፈቲሑ","content":"ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ተኣሲሮም ካብ መንጎ ዝነበሩ 3,673 ሰባት ብይቕሬታ ከምዝፈትሐ ኣፍሊጡ።ምክትል ዓቃቢ ሕጊ ክልል ኦሮሚያ ፍቅር ዘለኣለም እቶም ተኣረምቲ በቲ ናይቲ ክልል ሕጊን ስርዓትን መሰረት ዝተፈትሑ ምዃኑ ሓቢሮም። ኣብቲ ክልል ብፖለቲካዊ ምኽኒያት ተታሒዞም ክብሉ ተቓወምቲ ዝቕርቡዎ ጥርዓን ብዝምልከት ዝተውሃበ መብርሂ የለን። እቶም ዝተፈትሑ ብገበናት ስርቂ፣ዘረፋን ብልሽውናን ዝተፈረዶም እሱራት ከምዘይምልከት ወሲኾም ሓቢሮም። ብኻልእ ወገን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝንቀሳቐሱ ኣባላትን ደገፍትን ፖለቲካዊ ፓርቲቲታት ሎሚ እውን ብዘይኣገባብ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ይኣትው ምህላዎም ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም። ምክትል ዓቃቢ ሕጊ ክልል ኦሮሚያ ፍቅር ዘለኣለም ካብ ሕጊ ወፃኢ ተኣሲሮም ዝብሃሉ ንዝቐርብ ጥርዓን መንግስቲ ብኻልእ ኣሰራርሓ እዩ ክውስኖዩ ኢሎም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9A%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-3-600-%E1%89%B0%E1%8A%A3%E1%88%A8%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%8D%88%E1%89%B2%E1%88%91\/6615566.html"} {"headline":"ድምፃዊ ዳዊት ነጋ ዓሪፉ፣ ምኽንያት ሞቱ ንምፍላጥ ምርመራ ኣስከሬን ይግበር ኣሎ","content":"ህቡብ ድምጻዊ ዳዊት ነጋ፡ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ድሕሪ ምፅናሕ፡ ትማሊ ሰንበት ዓሪፉ። መተዓብይቱን መሳርሕቱን ዝኾኑ ኣቶ ኣዲስ ሃይለስላሰ ንድምፂ ኣሜሪካ ከም ዝገለፅዎ ንድምፃዊ ዳዊት ነጋ ኣብ ሰለስተ መዓልታት ንሞት ዘብፀሖ ምኽንያት እንታይ ከም ዝኾነ ንምፍላጥ ምርመራ ኣስከሬን ተገይሩ ኣሎ። ውፅኢቱ ድማ ድሕሪ ወርሒ ከም ዝግለፅ ኣቶ ኣዲስ ሓቢሩ። ዳዊት ነጋ ካብ ብቖልዕኡ ፍቕሪ ሙዚቃ ከም ዝሓደሮን ክራር ብምፅዋት ከም ዝጀመረን ፈለጥቱ ይሕብሩ። ፈለማ ኣብ ጉጅለ ሙዚቃ ሰርከስ ትግራይ ዝተፀንበረ ዳዊት፡ ኣብኡ ግን ከም ሙዚቀኛ ዘይኰነስ ሳዕሳዒን ወቓዕ ከበሮን’ዩ ጀሚሩ። እንተኾነ፡ ኣብ ሙዚቃ ዝነበሮ ዝምባለ ብምቕፃል ውልቃዊ ፃዕሩ ብምውሳኽን ክሳብ ዕለተ ሞቱ ልዕሊ 30 ዝኾኑ ንፅል ደርፍታት ኣበርኪቱ። ኣብ 1979 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ዝተወልደ ዳዊት፡ ስድራቤቱ ብንእሽቶኡ ብምሟቶም ምስ ቤተ ዘመድ ተፀጊዑ ከም ዝዓበየን ገና ብቖልዕኡ ነብሱ ኣብ ምእላይ ከም ዝነጠፈን መተዓብይቱ ይዛረቡ። በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓደ ቖልዓን ዝነበረ ዳዊት ነጋ፡ ሕዚ'ውን ገና ኣብ ዕዳጋ ዘይወዓሉ ስራሕቲ ሙዚቃ ኣብ ስቱድዮ ከምዘለውዎ መሳርሕቱ ተዛሪቦም። ስነ-ስርዓት ቀብሪ ስነጥበበኛ ዳዊት ነጋ ፅባሕ ሰሉስ ከም ዝፍፀም ተፈሊጡ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8D%83%E1%8B%8A-%E1%8B%B3%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%90%E1%8C%8B-%E1%8B%93%E1%88%AA%E1%8D%89-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%89%B1-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%88%8B%E1%8C%A5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%8A%A8%E1%88%AC%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%8C%8D%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%88%8E-\/6615475.html"} {"headline":"ቀዳማይ ዋዕላ ኤሪ-ሳት፡ “ተራ ናጻ ፕረስ ኣብ ህንጸት ደሞክራሲ”","content":"“ግደ ናጻ ፕረስን ተራ ሳታላትይት ቴለቪዥንን ኣብ ድፍኢት ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ህዝባዊት መደበር ቴለቪዥን ኤሪ-ሳት ዘዳለወቶ ናይ ሓደ መዓልቲ ሲምፖዝዩም፡ ብቐዳም 11 ሰነ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ተጋቢኡ ውዒሉ። ኣብቲ ካብ ፍርቂ መዓልቲ ክሳብ ምሸት ሰዓት 8:00 ዝቐጸለ፡ ኣብ ኣዳራሽ ዩኒቨርስቲ ካቶሊክ ዝተጋብአ ሲምፖዝዩም፡ ኣብ ተኣሳሰርቲ ዛዕባታት ዘተኰሩ በብይኖም መደባት ቀሪቦም ውዒሎም። ናይ መኽፈቲ ቃል’ቲ ሲምፖዝዩም ዘስምዐ፡ ፈጻሚ ስራሕ (ቻርጀ ዲ፡ ኣፍየር) ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ሚ\/ር ስቲቨን ዎከር’ዩ። ኣብ በበይኑ ዲፕሎማሲያዊ ስራሓትን ቦታታን ዝሰርሐ ዲፕሎማት ዎልከር፡ ኣብቲ ብማንዛ ዝገበሮ መደረን ናይ ሕቶን መልሲ ርክብ፡ ፈለማ፡ ንግደ ናጻ ፕረስ ኣብ ምስሳን ደሞክራሲ ዘለዎ ተራን’ዩ ዘርዚሩ። ሚ\/ር ዎከር ቅድሚ ዘረባኡ ምጅማሩ፡ ነቲ ንሓያሎ ተዓዘብቲ ከዘራርብ ዝጸንሐ ጉዳይ ብተዘዋዋሪ ብምብራህ’ዩ መደረኡ ከፊቱ። ከም ናይ ኣመሪካ ዲፕሎማት መጠን፡ ኣብ ከምኡ ዝመስል ርክባት ክሳተፍን ኣብ ናይቲ ዓዲ ከይዲ ድማ ርእይቶ ክህብን ይተባብዕ ጥራይ ዘይኰነስ ኣካል ስራሑ’ውን ምዃኑ ኣብሪሁ። ተሳትፎኡ ኣብቲ ሲምፖዝዩም ንዝዀነ ጸግዒ ምሓዝ ከም ዘይምልከት ድማ ብኸምዚ የብርህ፤ “ገለ ሰባት፡ ኣብዚ ምስታፈይ ንናይ ኤርትራ ተቓወምቲ ምድጋፍ ገይሮም ክርእዩዎ ይኽእሉ ይኾኑ። ምናልባት’ውን ኣመሪካ፡ ንምቕያር ስርዓት ኣብ ኤርትራ ትድግፍ ኣላ ዝብሉ’ውን ኣይሰኣኑን። ክልተኣቶም ግን ቅኑዓት ኣይኮኑን። ኤሪ-ሳት ሓንቲ ካብ ናይ ኤርትራ መራኸቢ ብዙሃን’ያ። ከም ሜድያ መጠን ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ሓደ መርገጺ ክህሉዋ ንቡር’ዩ። ኣነ ኣብዚ ምስታፈይ ከኣ ኣነ ወይ መንግስተይ ንኤሪ-ሳት እትወስዶ ስጕምቲ ደጊፍና ማለት ኣይኰነን። ጉዳይ ኤርትራ ንኤርትራውያን’ዩ ዝግደፍ።” ኣመሪካ ኣብ ብዙሕነትን ዝርጋሕ ቅኑዕ ሓበሬታን ከም እትኣምን ዝጠቐሰ ሚ\/ር ዎከር፡ ንገጽ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ዘንበቡ ተኸታተልቲ ዝሓቱዎ ተደጋጋሚ ሕቶታት’ውን ኣብ ዘረባኡ ምላሽ ሂቡሉ ነይሩ። ከምቲ ብዙሓት ዝነቕፉዎ ደጋፊ ሓደ መትከል ወይ ወገን ኰይኑ ዘይኰነስ፡ ኣካል’ቲ ምብህሃል ምዃኑ ብምእማን፡ ልሙድ ስራሕ ምዃኑ ሓቢሩ። ኣብ ወግዓዊ ናይ ፈይስቡክ ገጽ እቲ ኤምባሲ ብተደጋጋሚ ግዜ ምስ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ዝብሉዎ ስለ ዝጋጮን ብግልጺ ዝነቅፍን፡ ከምኡ ዝመስል ናይ ምብህሃል መንፈስ ንቡር እምበር ከም ፍሉይ ተርእዮ ክውሰድ ከም ዘይብሉ ሚ\/ር ዎከር ኣብ መድረኡ ጠቒሱ። ምስ መራኸቢታት ዜና መንግስቲ’ውን ተመሳሳሊ ናይ ስራሕ ርክብን ሸፈነን ከም ዝጠልብ ዘመልከተ እቲ ፈጻሚ ስራሕ፡ እንተዀነ፡ ብወገን መንግስታዊ መዲያ ተደጋጋሚ ከም ዝተነጽገ ይጠቅስ። እቲ ፈጻሚ ቆንስል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘለዉ 16 ጋዜጠኛታት ኤርትራ ክፍትሑ ደጊሙ ጻውዒቱ ኣቕሪቡ። No media source currently available ድሕሪ ምዝዛም መደረ፡ እቲ ፈጻሚ ቆንስል ካብ ኣእንገድቲን ተሳተፍቲን ዝመጸሉ ሕቶታት መሊሱ። ገለ ካብቲ ዝቐረበሉ ሕቶ፡ ኣብ ኣስመራ ኰይኑ ክንድኡ ዓው ኢሉ ክዛረብን ክነቅፍን ኣብ መርገጺ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዝተወለጠ ነገር እንተሎ ተሓቲቱ: ሚ\/ር ዎከር ኣብ መልሱ፡ እቲ ኣብ ፈይስቡክ ገጽ ዝብሎን ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተዛረቦን ኣካልን መቐጸልታን ናይቲ መንግስቱ ብተደጋጋሚ ዘቕርቦ ምሕጽንታን መርገጺን እምበር ዝተለወጠ ኣተሓሕዛ ከም ዘየሎ ኣበሪሁ። ወሲኹ ግን እቲ ፈጻሚ ቆንስል፡ ቅሉዕን ስዉርን ዲፕሎማሲ ከም ምህላዉ መጠን፡ ቅድሚ ሕጂ ዝበዝሕ ስራሓት ብውሽጢ ደኣ ክኸይድ ይጽናሕ እምበር፡ ሕጂ ግን ዓው ኢሎም ከዛረቡሉ ከም ዝወሰኑ ኣፍሊጡ። ንተራ ኣመሪካ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ክህሉ ትጽቢት ዝግበሮ ፖለቲካዊ ለውጢ ኣመልኪቱ ኣብ ዝቐረበሉ ተደጋጋሚ ሕቶ፡ ሚ\/ር ዎከር፡ ኣመሪካ ንልኡላውነት ኤርትራ ስለ እትኣምን፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ክትኣቱ መሰል ከም ዘይብላን እቲ ጉዳይ ድማ ንኤርትራውያን ጥራይ ዝግደፍ ምዃኑን ኣስሚሩ። ንምፍታሕ ናይ ፖለቲካው እሱራት፡ እንኮላይ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካን ካልኦትን ንዋጋ-ዕዳጋ ዘይኣትዉ መሰረታውያን መሰላት ግን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብቐጻሊ ከም ዝዛረቡን ኣብቲ ጉዳይ ዘለዎም መርገጺ ከም ዘመልክቱን ጠቒሱ። ድሕሪ ናይ ፈጻሚ ቆንስል መደረን ሕቶን መልሲ ካልኣይቲ ዕድምቲን ዝነበረት ጋዜጠኛ ይርጋኣለም ፍስሃ’ያ። ካብ ጀርመን ዝተጓዕዘት ይርጋኣለም ነቲ ውልቃዊ ተመኵሮ ማእሰርቲ ምስ ዝፈጠሮ ዕፈና እናኣተኣሳሰረት ቃላ ኣስሚዓ። ኣብቲ ዝተረረ ወታሃደራዊ ቤት-ማእሰርቲ ማይ-ስርዋ ንሽዱሽተ ዓመት ብዘይ ሕጋዊ መስርሕ ዝተኣስረት ይርጋኣለም፡ ኣብ ማእሰርቲ ዘሕለፍቶ ግፍዒን ድሕሪ ምውጻኣ ኣንጻር ስቕታ እትገብሮ ዘላ ስራሓትን ዘርዚራ። ድሕሪ መደረ ይርጋኣለም ፍስሃ ኣከታቲሎም ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ መደረ ዘስምዑ ኣመሪካዊ ጋዜጠኛን መምህር ስነ-ጋዜጠኝነትን ዳን ኮነል ከምኡ’ውን ካብ ጀርመን ዝመጸ ኣዳላዊ ናይ ዩትዩብ መስመር \"መስትያት ቤትና\" ዘካርያስ ክብረኣብን’ዮም። እቲ በበይኑ ትሕዝቶታት ዝሓዘ ናይ ሓደ መዓልቲ መደብ፡ ኣብ መወዳእታኡ ሽልማት ብስም ኣብ ቀረባ ግዜ ዝሞተ ጋዜጠኛ ሚልኪያስ ምሕረትኣብ ዮሃንስ ዝተዳለወ “ተባዕ ጸሓፊ” ዝተሰየመ ምዕዳል ሽልማት’ዩ ተዛዚሙ። ዕዉታት ናይቲ ሽልማት ድማ ጸሓፊትን ጋዜጠኛ ይርኣለም ፍስሃን መስራቲን ኣካይዲ ስራሕን ኣሕታሚ እሙኩሉ ቴድሮስ ኣብርሃም ካብ ሽወደንን ኰይኖም። ንምሸቱ እቲ ስምፖስዩም ንድምጻውያን ዮሃንስ ትካቦ፡ ቨሮኒካ ሰሎሞን ዓንዲት ዑቕባይን ዝሓዘ ናይ ምዝንጋዕ መደብ’ዩ ተዛዚሙ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8B%8B%E1%8B%95%E1%88%8B-%E1%8A%A4%E1%88%AA-%E1%88%B3%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%88%AB-%E1%8A%93%E1%8C%BB-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8A%95%E1%8C%B8%E1%89%B5-%E1%8B%B0%E1%88%9E%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%88%B2-\/6615440.html"} {"headline":"ዛንታ ሃገር ብዕቃበ ቅርሲ","content":"ወናኒ ትካል ጃምቦ ግላስ ፍጹም ገብረስላሰ፡ ነቲ ምስ ሙዚቃን ፊልምን ዝተኣሳስሰር ናይ ዕቃበ ስራሓቱ ዝምልከት ኣዘራሪብናዮ ኣለና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%9B%E1%8A%95%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%89%A5%E1%8B%95%E1%89%83%E1%89%A0-%E1%89%85%E1%88%AD%E1%88%B2\/6612200.html"} {"headline":"5 ጋዜጠኛታት ቴሌቭዥን ትግራይ ኣብ ቐይዲ ይርከቡ","content":"ኣብ ቴለቪዥን ትግራይ ዝሰርሑ ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ብጸጥታ’ቲ ክልል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣለዉ። ኣኽባር ሕጊ መቐለ “ምስ ጸላኢ ተሓባቢሮም” ክብል ይኸስስ፣ ስድራቤቶምን ጠበቐኦምን ግን እቲ ዝተዋህበ ምኽንያት ምስቲ ክውንነት ዘይከይድን ሽፋንን ምዃኑ ይምጉቱ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B4%E1%88%8C%E1%89%AD%E1%8B%A5%E1%8A%95-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%90%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%8B%AD%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1\/6612187.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ብሰንኪ ጥምየትን ግጭትን 35 ህጻናት ምሟቶም ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ብሰንኪ ደርቂን ግጭትን ብውሑዱ 35 ህፃናት ምሟቶም ሓደ ናይቲ ከባቢ ሆስፒታልን ዶብ ኣልቦ ሓካይም ዝተባህለ ትካል ግብረ ሰናይን ገሊፆም። እዚ ትማሊ ሓሙስ ዝተገልፀ ሞት ሓደ ሚንስትር ሰባት ብሕፅረት መግቢ ኣይሞቱን ኢሉ ድሕሪ ምግላፁ እዩ ።ቀርኒ ኣፍሪቃ ንተኸታታሊ ዓመታት ዝናብ ብዘይምርኻቡ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት እቲ ዝኸፍአ ድርቂ ኣጋጢሙዋ ይርከብ። ኣብ ካልእ ዜና፡ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር መቐለ ብሰንኪ ሕጽረት ቀረባትን ሓይሊ መብራህቲን ስራሑ ድሕሪ ምቍራጹ፡ ክሕከሙ ዝመጹ 32 ዜጋታት ብሰንኪ ሕጽረት ክንክን ከም ዝሞቱ ሜዲካል ዳይረክተር እቲ ሆስፒታል ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ። ሆስፒታል ዓይደር ሓደስቲ ሕሙማት ምቕባል ኣቋሪጹ ጥራይ ዘይኰነስ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ተኣለይቲ’ውን ምኽኣል ስኢኑ መሰረታዊ ስራሓቱ ደው ከም ዘበለ ይዝከር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8C%A5%E1%88%9D%E1%8B%A8%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5%E1%8A%95-35-%E1%88%85%E1%8C%BB%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6612262.html"} {"headline":"ፌስቡክ ኣብ መወዓውዒ ዝወጸ ጽሑፋት ጽልኢ ከለልይ ኣይከኣለን ተባሂሉ","content":"ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ግሎባል ዊትነስ (Global Witness) ብዝተባህለ ንትርፊ ዘይሰርሕ ትካል ግልፅን ህውከት ዘለዓዕል መደረ ፅልኢን ዝሓዘ መወዓውዒ (ኣድቨርታይዝመንት) መልእኽቲ ኣብ ምፍላይ ዝተኻየደ ፈተና ደጊሙ ወዲቑ። እቲ ጉጅለ ሰለስተ ብሄራት ኢትዮጵያ ማለት እውን ኣምሓራ፣ኦሮሞን ትግራይን ንሕድሕዶም ክቓተሉ ዝጽውዕ ሰብኣዊ ክብርታት ዘዋርዱ ናይ ፅልኢ መደረታት ዝሓዘ መወዓውዒ መልእኽቲ ፈጢሩ።ግሎባል ዊትነስ ከምቲ ኣብ መይንማር ዝገበሮ ምፍላጥ መደረ ፅልኢ ፌስቡክ ከይፈለጦ ዝሓለፈ ኣብዚ እውን ከይተፈለየ ሓሊፉ።ፀብፃብ ኣሶሴትድ ፕረስ እቲ ዝኸፍአ ድማ እቲ ጉጅለ ዝረኸቦ ንፌስቡክ ኣፍሊጡ እናሃለወ እዩ ፌስቡክ ካልኣይ ፈተና ዝወድቕ ዘሎ ይብል ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%8C%E1%88%B5%E1%89%A1%E1%8A%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%88%E1%8B%93%E1%8B%8D%E1%8B%92-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%8C%B8-%E1%8C%BD%E1%88%91%E1%8D%8B%E1%89%B5-%E1%8C%BD%E1%88%8D%E1%8A%A2-%E1%8A%A8%E1%88%88%E1%88%8D%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%8A%A3%E1%88%89-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6612297.html"} {"headline":"ሚ\/ጉ\/ወ ኢትዮጵያ መንግስቲ ዂናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰላም ክዛዘም ስጉምቲታት ይወስድ ኣሎ ይብል","content":"ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ መንግስቲ ግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰላም ክዛዘም ዘኽእሉ ስጉምትታት ኣብ ምውሳድ ይርከብ ኣሎ ኢሉ። ወሃቢ ቃል እቲ ሚንስትሪ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎሚ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ሰላም ንምስፋን መንግስቲ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለምለኸ ትካላትን ኣብ ምዝርራብ ከምዝርከብ ሓቢሮም። ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ክልል ትግራይ ንክኣትው ምስ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ብምትሕብባር ኣብ ምስራሕ ከምዝርከብ ዝሓበሩ ኣምባሳደር ዲና እዚኦም ኩሎም መንግስቲ ንሰላም ካብ ዘለዎ ድልየት ዝፍልፍል እዩ ኢሎም። ክልል ትግራይ ግን ዝኣተወን ዝኣትው ዘሎን ረድኤት እኹል ኣይኮነን፣ኣብ ባንኪ፣ቴሌኮምኒኬሽ፣ሓይሊ መብራህትን ዘሎ ዕፅዋ ብምቕፃሉ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ጉድኣት ይወርድ ኣሎ ክብል ብተደጋጋሚ ይገልፅ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8B%82%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%8B%9B%E1%8B%98%E1%88%9D-%E1%88%B5%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%89%B2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%88%B5%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%8D\/6612325.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ኣብ መጻረይ ግጥም ዋንጫ ኣፍሪቃ 2ብ0 ተዓዊታ","content":"ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ግብጺ ንመጻረይ ግጥም ዋንጫ ኣፍሪቃ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም 2ብ0 ተዓዊታ። ፈላማይ ግጥም ምስ ማላዊ ኣብ ሊሎንጉዌ ዘካየደት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ 2ብ1 እተተሰዓረት ኣብ ማላዊ ምስ ግብጺ ኣብ ዘካየደቶ ካልኣይ ግጥም ግን ክልተ ሸቶታት ብዳዋ ሆጤሳን ሽመልስ በቀለን ብምምዝጋብ ተዓዊታ'ላ። እተን ዝተመዝገባ ሸቶታት ቕድሚ ዕረፍቲ ዝተምዝገባ ክኾና ከለዋ ግብጺ ድሕሪ ዕረፍቲ ጸወታ እተዓብለለት'ውን ሸቶ ምምዝጋብ ብዘይምኽኣላ እቲ ጸወታ ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ተዛዚሙ'ሎ። ኣብ መጻረይ ዋንጫ ኣፍሪቃ ኣብ ምድብ ኣርባዕታ ምስ ግብጺ:ማላዊን ጊኒን ዝተመደበት ኢትዮጵያ ነቲ ግጥማት ዘማልእ ስታድየም ብዘምህላው'ዩ ነቲ ናይ ሎሚ ምስ ግብጺ ዘካየደቶ ግጥማ ካብ ሃገራ ወጻኢ ከተካይድ ዝተደደደት።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8C%BB%E1%88%A8%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%8C%A5%E1%88%9D-%E1%8B%8B%E1%8A%95%E1%8C%AB-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-2%E1%89%A50-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%8A%E1%89%B3\/6610486.html"} {"headline":"ደረቕ ጓሓፍ ናብ ጸዓት ንምቕያሩ ዝሕግዝ ትልሚ ስራሕ","content":"ብትካል ቶታል ኤርትራ ኣብ ዝተዳለወ ናይ 2022 ውድድር ምህዞን ሰንዓን፡ ብመንእሰይ ሊድያ ተኽለሃይማኖት ዝቐረበ፡ ፕላስቲካዊ ጓሓፍ ዳግማይ ብምምስራሕ ናብ ነዳዲ ንምቕያር ዘኽእል ፕሮጀክት ተዓዊቱ። ብዛዕባ ኣገዳስነትን እዚ ሓሳብን ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ብዛዕባ ዘድልዮ መስርሕ ብዝምልከት ኣዘራሪብናያ ኣለና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B0%E1%88%A8%E1%89%95-%E1%8C%93%E1%88%93%E1%8D%8D-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8C%B8%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%95%E1%8B%AB%E1%88%A9-%E1%8B%9D%E1%88%95%E1%8C%8D%E1%8B%9D-%E1%89%B5%E1%88%8D%E1%88%9A-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95\/6610216.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ሸርፊ ወጻኢ ንምቁጽጻርን ጸሊም-ዕዳጋ ንምጉዳልን መምርሕታት የውጽእ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ሸርፊ ወጻኢ ንምቁጽጻርን ጸሊም-ዕዳጋ ንምጉዳልን ተኸታታሊ መምርሕታት የውጽእ ኣሎ። ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ይናገር ደሴ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ክልል ሶማልያ ኣብ ከባቢ ዶባት ዝርከባ ገለ ባንክታት ንጥፈታተን ከጉድላ ተኣዚዘን ኣለዋ ኢሉ። በዚ መሰረት ኣብተን ባንክታት ዝግበር ምእታውን ምውጻእን ገንዘብ ክድረት ምዃኑ ኣፍሊጡ`ሎ። እቲ ሓዲሽ መምርሒ ኣብ ካልኦት ከም መተማ:ጎንደር:ዱብቲ: ዓፋርን ዝበላ ከተማታት`ውን ተግባራዊ ከምዝኸውን እቲ ኣመሓዳሪ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ`ሎ። ብኻልእ ወገን ግን፡ ኢትዮጵያ ድሕሪ ሒደት ዓመታት ኣብ ብዕዳጋ ዝውሰን ሸርፊ ገንዘብ ክትኣቱ`ያ ክብል ኣቶ ይናገር ደሴ ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቡ`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%B8%E1%88%AD%E1%8D%8A-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%8C%BB%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%8C%B8%E1%88%8A%E1%88%9D-%E1%8B%95%E1%8B%B3%E1%8C%8B-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%95%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%A8%E1%8B%8D%E1%8C%BD%E1%8A%A5-\/6610143.html"} {"headline":"ቤት ፍርዲ ሆላንድ ውሳነ ፍርዲ ኣብ 1970'ታት ብዝተፈጸመ ገበን ዝተፈርደ ኢትዮጵያዊ ክጸንዕ ወሲኑ","content":"ኣብ ሆላንድ ዝርከብ ሓደ ናይ ይግባኝ ቤት ፍርዲ ንሓደ ኣብ 70`ታት ኣብ ግዜ ስርዓት ደርጊ ብዝተፈጸመ ገበናት ዂናት ንዕድመ ልክዕ ዝተፈርደ ኢትዮጵያዊ ሆላንዳዊ ፍርዱ ንክጸንዕ ወሲኑሉ። ወዲ 67 ዓመት እሸቱ ኣለሙ፡ ብሰንኪ ሕማም ናብቲ ቤት ፍርዲ ብኣካል ክቐርብ እንተዘይክኣለ`ኳ፡ ብጠበቓኡ ኣቢሉ እቲ ኣብ 2017 ዝተወሰኖ ፍርዲ ክቕየር ይግባኝ ሓቲቱ ኔሩ`ዩ፡ እንተኾነ ተቐባልነት ኣይረኸበን። እቲ ኣብ ዘ ሄግ ዝተሰየመ ቤት ፍርዲ ነቲ ኢትዮጵያዊ በቲ ኣብ 1977-78 ኣብ ስርዓት መንግስቱ ሃይለማርያም ኣብቲ ቀይ-ሽብር ተባሂሉ ዝፍለጥ ስጉምቲ ብምስታፉ`ዩ ብገበናት ዂናት ተኸሲሱ ንሕልፈት ተፈሪዱ ዘሎ። ኣብ እዋን ቀይሕ ሽብር፡ 150 ሽሕ ዝኾኑ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ምሁራትን ፖለቲከኛታትን በቲ ስርዓት ብዝተገብረ ናይ ተቓውሞ ጭፍለቓ ከም ዘተቐትሉ ነቲ ኩነታት ዘጽንዑ ክኢላታት ይምስክሩ። ሁማን ራይትስ ዎች፡ ቀይሕ-ሽብር ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ ብመንግስቲ ኮነ ኢልካ ካብ ዝተፈጸሙ ዝኸፍኡ ቅትለታት ክብል ይገልጾ። ተኸሳሲ ኢትዮጵያዊ ሆላንዳዊ እሸቱ ኣለሙ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ኣብ ስምዒት ተዋሒጡ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ስርዓት ደርጊ ንዝፈጸሞ ገበናት ብምቕባል ንሱ ግን ብውልቁ ዝፈጸሞ ገበናት ከም ዘይነበረ ብምግላጽ ተኸላኺሉ ኔሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%88%86%E1%88%8B%E1%8A%95%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-1970-%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%98-%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%AD%E1%8B%B0-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B1-%E1%8A%AD%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%8B%95-%E1%8B%88%E1%88%B2%E1%8A%91\/6610102.html"} {"headline":"ዶ\/ር በረኸት ሃ\/ስላሴ ኣብ 90 ዓመቶም፡ “ገና ኣብ ስራሕ’የ”","content":" ደራሲ ልዕሊ 20 መጽሓፍቲ፡ ሓደ ካብ መስረትቲን ናይ ፈለማ ኣካያዲ ስራሕን ማሕበር ረዲኤት ኤርትራ (ኤራ)፡ ከምኡ’ውን ኣቦ-መንበር ኮሚሽን ቅዋም ኤርትራ ዝነበሩ ዶክተር በረኸት ሃብተ ስላሴ ዝሓለፈ ሰሙን መበል 90 ዓመቶም ኣኽቢሮም። ነዚ ሓያሎ ፈተውቶምን መቕርቦምን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ ጽንብል መበል 90 ዓመቶም ከም መበገሲ ብምውሳድ፡ ንተመኵሮ ህይወቶም ኣመልኪትና ዓዲምናዮም ኣሎና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%8A%B8%E1%89%B5-%E1%88%83-%E1%88%B5%E1%88%8B%E1%88%B4-%E1%8A%A3%E1%89%A5-90-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8B%A8-\/6606658.html"} {"headline":"15 ሽሕ ሜትሪክ ቶን መግቢን ካልኦት ህይወት ኣድሕን ሓገዛትን ኣብዚ ሰሙን ናብ ክልል ትግራይ በፂሑ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦ ካብ ዝእወጅ ንደሓር ኣብቲ ዝዓበየ ማእከል ግጭት ኮይኑ ዝፀንሐ ክልል ትግራይ እቲ ዝዓበየ ሓገዛት ረድኤት እዩ ኣብዚ ሰሙን በጺሑ። ናብቲ ክልል ረዲኤት ንምብፃሕ ዝነበሩ ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ምምሕያሻት ይረኣየሉ ኣብ ዘለሉ እዋን ጎረባብቲ ክልላት'ውን ብሰንኪ እቲ ጎንፂን ድርቂን ዝተሃሰያን ሓገዝ ዘድልየን ብምዃነን ዋሕዲ ሓገዛት የጋጥም ኣሎ። 15 ሽሕ ሜትሪክ ቶን መግቢን ካልኦት ህይወት ኣድሕን ሓገዛትን ኣብዚ ሰሙን ናብ ክልል ትግራይ በፂሑ። ከም ፀብፃብ ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ሕቡራት ሃገራትን ተወሳኺ ሓገዛት ድማ ኣብ መንገዲ ምህላዎም ይገልፅ ። ብሰንኪ ኣብ መንጎ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ብዝተኻየደ ውግእ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ትግራይ ምብፃሕ ኣይተካእለን ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝበሎ እቲ ውግእ ን4.8 ሚልዮን ህዝቢ ንሓደጋ ጥምየት ኣቓሊዑ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ምኽትል ዳይሬክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣድሪያን ቫን ዴር ናፕ:\"ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ክኸውን እዩ ተስፋና ፣ ምኽንያቱ ኣብዚ እዋን ይቀላጥፍ እዩ ዘሎ ፤ ኣብ ዝመፅእ ክልተ ሰሙን 30000 ሜትሪክ ቶን መግብን መግባዊ ሓገዛትን ናብ ትግራይ ክአቱ ተስፋ ኣለና።ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ 100 000 ቶን መግቢ ክኣቱ እዩ ትልምና።\" ንመሳለጥያ ሰብኣዊ ሓገዝ ተባሂሉ ኣብ መንጎ ርእሰ ከተማ ክልል ዓፋር ሰመራን ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ መቀ፟ለን ዝርከም መንገዲ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሚያዝያ እዩ ተከፊቱ። አብዚ እዋን ብሕታዊ ናብ ትግራይ ዘእቱ ዝተኸፍተ መገዲ ድማ ንሱ ጥራሕ እዩ ። መብዛሕትኦም ሰሜናውን ማእከላይን ከተማታት ክልል ዓፋር ብሓይልታት ሕወሓት ዝተጠቅ፟ዓ ምዃነን ብሰንኪ እቲ ጎንፂ ዝተመዛበሉ ሰባት ይዛረቡ ። እቲ ጎንፂ ንልዕሊ 2 ሚልየን ዝከውን ልዕሊ ፍርቂ በዝሒ ህዝቢ እቲ ክልል ኣመዛቢሉ እዩ ። ሕወሓት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናብ ክልል ዓፋር ዝገበርዎ ምተእትታዉ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ስግኣታት ደሕንነት ንምእላይ ምዃኑ ገሊፁ ። ኣብ ወርሒ ጥሪ ሓይልታት ዓፋር ኣብ ልዕሊ ትግራይ መጥቃዕቲ ምፍናዎምን ሰብአዊ ሓገዛት ናብ ትግራይ ንኸይኣትዉ ምኽልካሎምን'ውን ይሕብር ። ይኹንምበር ሓላፊ ሓደጋ ምክልኻልን ውሕስና መግብን ክልል ዓፋር መሓመድ ሑሰን ግና ምስ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ፅልኢ የብልናን ኢሎም ። \"እዚ አዝዩ ፍሉይ ሰብኣውነት እዩ ንሳቶም ክቀ፟ትሉና ሰራዊት ክልእኩልና ከለዉ ንሕና ግን መግቢ ሰዲድና ንዕንግሎም ኣለና።ነቲ ኲናት ፈለማ ህወሓት እዩ ጀሚሩዎ በቲ ውድብ እዩ ወራር ተፈፂሙና ፤ ንሕና ምስ ህዝቢ ትግራይ ፀገም የብልናን።\" እቲ ኣብዚ እዋን ተበፂሒ ዝርከብ ምትሕብባራት ነቲ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ልዕሊ 80% ዝኾኑ መራሕቲ ስድራ ንዋሕዲ መግቢ ዝተቓልዑን ሎሚ'ውን እናቀ፟ፀለ ዝከይድ ዘሎ ዋሕዲ ዝተመጣጠነ መግቢ ኣብ ምብፃሕ ኣዝዩ ወሳናይ ምኳኑ እዩ ። ኣብ ወርሒ ለካቲት ህወሓት ሕክምናዊ ኣገልግሎት ብዘይምርካቦምን 23 ሽሕ ዝኾኑ ህፃናት ብሕፅረት ዝተመጣጠነ መግቢ ንንሞት ምቕልዖም ምሕባሩ ዝዝከር ኮይኑ መንግስታዊ ትካላትን ሓገዝ ወሃብትን እውን ኣብ ጎረባብቲ ክልላትውን ንዓፋር ሓዊሱ ብዘሎ ተደራራቢ ቅልውላዋትን ምግፋሓት ፀቅ፟ጢ ይፈጥረሎም ምህላዉ ይገልፁ። ሰይድ መሓመድ ካብ ሴቭ ዘ ችልድረን: \"እዚ ማሕበረሰብ ክልተ ዓይነት ፀገም እዩ ዝወርዶ ዘሎ ። እቲ ሓደ እቲ ዘሎ ግጭት ዘበገሶ ኣብ መሳለጥያታት ማይን ካልኦት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ዘስዓቦ ዕንወት ዝፈጠሮ ዕንቅፋት ክኸውን ከሎ ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ምስቲ ንዝሓለፉ ሓያሎ ዓመታት ኣብ ዓፋር እውን ኣጓኒፉ ዝፀንሐ ድርቂ ምክንያት ነቲ ማሕበረሰብ ካልእ ፈታኒ ኩነታት ኮይኑዎ'ሎ።\" ኣድሪያን ቫን ዴር ናፕ ከምኡ እውን ከም ናይ ዩክሬን ዝበሉ ዓለምለኸ ቅልውላዋት ሓገዝ ወሃብቲ ሃብትታቶም ክከፋፈል ይገብሮ ኣሎ ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ከምዝበሎ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝመፅእ ሽዱሽተ አዋርሕ ንዘሳልጦ ኣገልግሎት ሓገዛት ሕፅረት ቀረባት 522 ሚልየን ዶላር ከምዝጓነፎን ካብዚ እቲ 220 ሚልየን ዶላር ዝግመት ንትግራይ ሓዊሱ ንክልላት ሰሜን ዝሃሲ ምዃኑ እዩ ይብሉ ። \"ቀልጢፉ እዩ ኣብ ኢድና ዘሎ ሓገዛት ዝውዳእ: እወንታዊ ሃዋህው ዝወረሶ ከባቢ ንፈጥር ኣለና ብኡኡ ኣቢልና ድማ ነቶም ዝተኸፍቱ ኮሪደራት ምጥቃም ዝብል ክከውን ከሎ እንተኾነ ግን ኣብ ማእከል ከነቋርፅን ኩሉ ነገር ናብቲ ቅድሚ ወርሒ ሚያዝያ ዝነበረ ኩነታት ክንምለስ ንግደድ።\" ካብቲ ብሰኑይ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ሓገዝ ረዲኤት ዝዓበየ ናብ ትግራይ ይጉዓዝ ምህላዉ ዝገለፀ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ካልኦት ድማ ኣብ እታ ሃገር እናወሰከ ዝመፅእ ዘሎ ሓደጋ ጥምየት ንምቁፅፃር ናብ ካልኦት ማሕበረሰብ ይበፅሑ ኣለዉ ኢሉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%BD%E1%88%95-%E1%88%9C%E1%89%B5%E1%88%AA%E1%8A%AD-%E1%89%B6%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A6%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%8A%95-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9B%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%9A-%E1%88%B0%E1%88%99%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A0%E1%8D%82%E1%88%91\/6582702.html"} {"headline":"ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ማሞ ኣብ ቤት ፍርዲ ባህርዳር ምቕራቦም ጠበቓኦም ሓቢሩ","content":"ንመንግስቲ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝነቐፉን ኣብ መጀመሪያ እዚ ሰሙን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዝወዓሉን ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ማሞ ንሕገ መንግስቲ ብሓይሊ ንምፍራስ ፈቲኖም ብዝብል ገበን ተኸሲሶም ሎሚ ኣብ ባህር ዳር ቤት ፍርዲ ምቕራቦም ጠበቕኦም ሸጋው ኣልበል ገሊፆም። ጀነራል ተፈራ ክሳብ ኣብ ወርሒ ለካቲት ብዘይተፈልጠ ምኽኒያት ካብ ሓላፍነቶም ዝባረሩ ኣንፃር ሓይልታት ትግራይ ንዝዋግኡ ወታሃደራት ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምሕጋዝ ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ነይሮም። ሰኑይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቐይዲ ድሕሪ ምውዓሎም ብሄልኮፕተር ናብ ባህር ዳር ከምዝተወሰዱ በዓልቲ ቤቶም ወ\/ሮ መነን ሃይለ ንሮይተርስ ሓቢራ። ነቐፍቲ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መላእ እታ ሃገር ንተቓወምቲ ይኣስሩ ኣለው ይብሉ። ብኻልእ ዜና ዋና ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ ብቅድሚ ትማሊ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ምምሕዳሮም ብሽም ፋኖ ይፍፀም ኣሎ ዝበሉዎ ገበናት ዝተጠርጠሩ ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ የውዕል ከምዘሎ ሓቢሮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%8C%8B%E1%8B%B4%E1%88%AD-%E1%8C%80%E1%8A%90%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%AB-%E1%88%9B%E1%88%9E-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%AD%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%88%AB%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%8C%A0%E1%89%A0%E1%89%93%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6582671.html"} {"headline":"ኢትዮጵያዊያን ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ እስልምና ዝፍጸም መግሃስቲ ደው ክብል ዝጽውዕ ሰልፊ አካይዶም","content":"ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኡ ዝነብሩ ብዓሰርተታት ዝቑፀሩ ኣባላት ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ጎንደር ኣብ ልዕሊ ስዓብቲ እምነት እስልምና ይወርድ ኣሎ ዝበሉዎ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ጠጠው ክብል ሓቲቶም። ኣብ ፊት ንፊት ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ጭርሖታት ብምሓዝ ዝተረኸቡ ኢትዮጵያዊያንን ኢትዮጵያዊያንን ኣመሪካዊያንን በቲ መጥቃዕቲ ዝተጎድኡ ወገናት ፍትሒ ክረኽቡን ክክሓሱን ሓቲቶም። ገበነኛታት ዝበሉዎም ናብ ቤት ፍርዲ ንክቐርቡ ጎንደር ናብ እትፍለጠሉ ናይ ምክብባር ምልክት ክትምለስ ዘለዎም ድልየት ሓቢሮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%B2-%E1%8A%A5%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%88%9D%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%8D%8D%E1%8C%B8%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%83%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%8C%BD%E1%8B%8D%E1%8B%95-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%89%B0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/6582614.html"} {"headline":"ሚ\/ጉ\/ወጻኢ ዚምባብወ ንመንግስቱ ሃይለማርያም ንኢትዮጵያ ከረክቡዎ ከም ዝኽእሉ ይሕብር","content":"ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዚምባብወ ኣምባሳድር ፍረደሪክ ሻቫ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብግቡእ መስመር ናብ መንግስቲ ዚምባብወ ሕቶ እንተ ኣቕሪቡ፡ ንወታሃደራዊ መራሒ ኢትዮጵያ ነበር መንግስቱ ሃይለማርያም ከረክቡዎ ድሉዋት ምዃኖም ሓቢሩ። ሚኒስተር ሻቫ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣገልግሎት ቋንቋ ዚምባብወ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠየቕ፡ ነቲ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ መንግስቲ እታ ሃገር ክኽተሎ ዝጸንሐ ኣዝዩ ዝተፈልየ ሓሳብ ኣቕሪቡ'ሎ። ወታሃደራዊ መራሒ ኢትዮጵያ ነበር መንግስቱ ሃይለማርያም፡ ካብ 1991 ኣትሒዙ ምስ ስድራኡ ኣብ ዚምባብወ ዑቕባ ሓቲቱ ዝነበር ዘሎ ኰይኑ፡ ኣብ 2008 ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ንሞት ተፈሪዱ ነይሩ። ኮሎነል መንግስቱ ሃይለማርያም ብቕትለት ሰለማዊ ህዝቢ፡ ህልቂትን ምጥፍፋእ ንብረት ሃገርን’ዩ ብቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ ናይ ሞት ፍርዲ ተበዪኑሉ ነይሩ። እንተዀነ፡ መራሕቲ መንግስቲ ዚምባብወ ዑቕባ ከም ዝሓተተ መጠን ኣሕሊፎም ከም ዘይህቡዎ ክገልጹ’ዮም ጸኒሖም'ዮም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8B%9A%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%8B%88-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B1-%E1%88%83%E1%8B%AD%E1%88%88%E1%88%9B%E1%88%AD%E1%8B%AB%E1%88%9D-%E1%8A%95%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A8%E1%88%A8%E1%8A%AD%E1%89%A1%E1%8B%8E-%E1%8A%A8%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8A%BD%E1%8A%A5%E1%88%89-%E1%8B%AD%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%AD\/6582566.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ንናይ ደገ ኣውፈርቲ ማዕጾ ትኸፍት","content":"ፋይናንሳዊ መዳይ ኢትዮጵያ ንናይ ደገ ኣውፈርቲ ይኸፍት ከም ዘሎ ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ዶ\/ር ይናገር ደሴ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ ኣመልኪቶም። ን20 ዓመታት ባንክታት ኢትዮጵያ ንወፃኢ ዕፁው ምንባሩ ዘመልከቱ ዶ\/ር ይናገር፡ እዚ ተገይሩ ዘሎ ተበግሶ ንናይ ውሽጢ ሃገር ባንክታት የዕብዩ፡ ናይ ወጻኢ ወፍሪ’ውን ከም ዝዕድም ገሊጾም። ምኽፋት ባንክታት ንናይ ወፃኢ ኣውፈርቲ ንናይ ውሽጢ ዓዲ ከም ዘይጫረት’ውን ጠቒሶም። እንተዀነ እቶም ኣመሓዳሪ ባንክ፡ ነቲ ወፂኡ ዘሎ ትልሚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል እቲ ናይ ደገ ኣውፈርቲ ባንክታት ዝኽልክል ዝነበረ ኣዋጅ ንግዲ ኢትዮጵያ ምምሕያሽ ከም ዘድልዮ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፡፡ ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%B0%E1%8C%88-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%8D%88%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%9B%E1%8B%95%E1%8B%B6-%E1%89%B5%E1%8A%B8%E1%8D%8D%E1%89%B5\/6582242.html"} {"headline":"ሕማማት ልቢ፤ ጠንቂን ሳዕቤናትን","content":"“ሕማም ልቢ” ተባሂሉ ብሓፈሻ ዝጽዋዕ ስእነት ጥዕና፡ በበይኑ ደረጃታት፡ ጠንቅታትን ምኽንያታትን ክህሉዎ ይኽእል። ከም እዋኑን ደረጃኡን ነቲ ሕማም ንምቅላል ወይ ድማ ፈጺምካ ንምውጋድ ብዛዕባ ክግበሩ ዝኽእሉ ጥንቃቐታትን ካልእ ዛዕባታትን ኣመልኪትና ንክኢላ ሓኪም ሕማም ልቢ ዶ\/ር ሃብተኣብ ፍስሃ ካብ ክፍለ-ሃገር ኣሪዞና ኣዘራሪብናዮ ኣሎና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95%E1%88%9B%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%88%8D%E1%89%A2-%E1%8C%A0%E1%8A%95%E1%89%82%E1%8A%95-%E1%88%B3%E1%8B%95%E1%89%A4%E1%8A%93%E1%89%B5%E1%8A%95\/6581224.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ተታሒዞም ዝጸንሑ ኣስታት 4 ሽሕ ምሩኻት ናብ ስድራቤቶም ይፋነው ምህላዎም ተሓቢሩ","content":"ንልዕሊ 11 ኣዋርሕ ኣብ ክልል ትግራይ ተታሒዞም ዝጸንሑ፡ ኣባላት ምክልኻል ፈደራል ሰራዊት ዝዀኑ፡ ልዕሊ 4 ሽሕ ምሩኻት ኲናት ናብ ስድራቤቶም ይፋነዉ ኣለዉ። ዓለምለኸ ኮሚተ ቀይሕ-መስቀል ኣካል’ቲ መስርሕ ኰይኑ ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%92%E1%8B%9E%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%91-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-4-%E1%88%BD%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%88%A9%E1%8A%BB%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%8B%B5%E1%88%AB%E1%89%A4%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8B%AD%E1%8D%8B%E1%8A%90%E1%8B%8D-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6580593.html"} {"headline":"ትንታነ: ኣብ ጉዳይ ዓወት ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ","content":"ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ 10ይ መድረኽ ቱር ኢጣልያ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ነቲ ውድድር ቐዳማይ ኮይኑ ብምዝዛም ኣብ ዙር ኢጣልያ ዝተዓወተ ፈላማይ ኣፍሪቃዊ ኮይኑ'ሎ። ነቲ ውድድር ስዒቡ ኣብ ዝነበረ ስነ ስርዓት ሽልማት'ውን ቢንያም መጉዳእቲ ከምዘጋጠሞን ብኡ መሰረት ድማ ኣብ ዝቕጽል መድረኻት'ቲ ውድድር ከምዘይሳተፍ ሎሚ ረቡዕ ኣፍሊጡ'ሎ። ነቲ ዝነበረ ውድድር ንዓወት ቢንያምን ምቁራጽ ዝተረፈ መድረኻት'ቲ ውድድር ብዝምልከት ንነባር ጋዜጠኛ ስፖርት ሳምሶን ሃይለ ኣዘራሪብናዮ ኣለና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B5%E1%8A%95%E1%89%B3%E1%8A%90-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8B%93%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%89%B0%E1%89%90%E1%8B%B3%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%88%BD%E1%8A%AD%E1%88%88%E1%89%B3-%E1%89%A2%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%88%9D-%E1%8C%8D%E1%88%AD%E1%88%9B%E1%8B%AD-\/6579450.html"} {"headline":"ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ክልል ትግራይ ንጸብጻብ ግዱድ ዕስክርና ኣመልኪቱ ምላሽ ሂቡ","content":"ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ክልል ትግራይ፡ እቲ ክልል ንመንእሰያት ብሓይሊ የዕስክር ኣሎ ዝብል ብኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዝወጸ ጽሑፍ ኣትሪሩ ኰኒኑ። እቲ “ውሁድ ዘመተ” ኢሉ ዝሰየሞ ጸብጻብ፡ እኳ ደኣ መንእሰያትን ህዝቢን ትግራይ ካብ ወረርቲ ዝበሎም ሓይልታት ንምክልኻል ባዕላቶም ዝዓጠቑ ብምዃኖም ክዅነን ዝግበኦ እቶም ካልኦት ኣካላት’ዮም ክብል ገሊጹ። ብተወሳኺ እቲ መግለጺ፡ ንኣዝዩ ውሑድን ብተናጸል ዘጋጠመ ተርእዮን ንዅሉ ብዝዓመም መገዲ ምውካል ከም ዘይከኣል ከመልክት እንከሎ፡ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዝተጠቕመሉ ኣገባብ ኣተኣኻኽባ ሓበሬታ’ውን ርኡይ ሃጓፋት ዘለዎ’ዩ ክብል ጠቒሱዎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8C%BD%E1%88%95%E1%8D%88%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%8A%93%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8C%B8%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%89%A5-%E1%8C%8D%E1%8B%B1%E1%8B%B5-%E1%8B%95%E1%88%B5%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%AA%E1%89%B1-%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%BD-%E1%88%82%E1%89%A1\/6579242.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ዂናት 1.39 ሚልዮን ተማሃሮ ንሳልሳይ ዓመት ካብ ትምህርቲ ይቦኽሩ ይብል","content":"ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወልዐ ውግእ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልየን ቆልዑት ንሳልሳይ ዓመት ካብ ትምህርቲ ይቦኽሩ ኣለዉ ኢሉ ። ናብ ከባብታት ክልል ኣምሓራ ኣትዮም ዝነበሩ ተዋጋእቲ ትግራይ ድሕሪ ምውጽኦም ኣብያተ ትምህርቲ ይኽፈታ`ኳ እንተሃለዋ፡ ተመሃሮ ግን በሰላ`ቲ ኩናት ካብ ሓንጎሎም ኣይወጸን። ብመሰረት ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት፡ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ`ቲ ኩናት ኣስታት 1.39 ሚልየን ቆልዑት ካብ ትምህርቲ ቦኺሮም ኣለዉ። ጋዜጠኛታት ናብ ትግራይ ክኣትዉ ኣብ ዝተኸልከልሉ እዋን፡ ኣብ ጎረቤት`ቲ ክልል ዝኾነ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብቲ ብሓይልታት ትግራይ ተታሒዙ ዝነበረ ከባብታት ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ክኽፈታ ጀሚረን ኣለዋ። እንተኾነ እቲ ግጭት ገና ካብ ሓንጎል`ቶም ተመሃሮ ክወጽእ ኣይክኣለን። ጋዜጠኛ ሀንሪ ዊልክንስ ኣብቲ ቦታ ኮይኑ ከምዚ ይብል፡፡ \"ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ጋሼና፡ ህወሓት ንኣብያተ ትምህርቲ ከም መዓስከር`ዩ ተጠቒሙሎም። ብኣስከሬናትን ጃምላዊ መቓብራትን`ዩ መሊእዎም። ሽሕ`ኳ ሕጂ ነበርቲ የውጽእዎ እንተሃለዉ። ኣብ መናድቕ`ቲ ኣብያተ ትምህርቲ ንዓሌት ኣምሓራን ንቀዳማይ ሚንስተርን ዝጸርፍ ጽሒፎም ገዲፎም ከይዶም።\" ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ነቲ ክስታት ብምንጻግ ናጻ ምጽራይ ክግበር ይጽውዕ። ምኽትል ርእሰ-መምህር ገትነት ሃብታሙ፡ እቲ ኣስከሬናትን መቓብራትን ኣብ ልዕሊ ተመሃሮ ዘሕድሮ ስነ-ልቦናዊ ጉድኣት ብምርኣይ፡ ሰበ-ስልጣን`ቲ ከባቢ ነቲ ኣስከሬናት ካብቲ ቤት ትምህርቲ ኣውጺኦም ናብ ካልእ ከግዕዝዎ የወሃህድ ኣሎ። “ተመሃሮ ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻድ ይኣብዩ`ለዉ። ምኽንያቱ እቲ ቀጽሪ ምሉእ ንምሉእ ተበላሽዩ`ዩ። ኣብ ፈቐድኡ ደም ኣሎ። ነቶም ተመሃሮ ናብ ቤት ትምህርቲ ንምምላስ ምስ`ቲ ኮሚኒቲ ንሰርሕ ኣለና። መማህራን ገዛ ገዛ እናኸዱ ነቶም ተመሃሮ ናብ ትምህርቲ ንክምለሱ ከእምንዎም`ዮም ዝፍትኑ ዘለዉ።\" ካብ ጋሸና ንሰሜን ኣብ ዝርከብ ከባቢ ከተማ ሰቖጣ፡ ሕቡራት ሃገራት በቲ ግጭት ንዝተፈናቐሉ ቆልዑ ትምህርቲ ይህብ ኣሎ። እንተኾነ ብዙሓት ብሰንኪ`ቲ ዝርኣይዎ ዂናት ስነ-ልቦናዊ ስንባደ ዝሓደሮም`ዮም። ብርቱካን ገብራት ሓንቲ ካብኦም`ያ፡“ሓወይ ምስ ዓርኩ ክጻወት ከሎ ብነታጒ ተቐቲሉ። ብዙሕ ብዙሕ ሕማቕ ነገራት`የ ርእየ። ሰባት ኣካላቶም ተቖራሪጹ ከሎ ክቕተሉ ርእየ።\" ዳይሬክተር`ቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝምወል ፡ 'ትምህርቲ ክጽበ ኣይክእል' ዝብል ዘይመኽሰባዊ ትካል ዝኾነት ያስሚን ሸሪፍ፡ ትምህርቲ ንከም ብርቱካን ዝበሉ ተመሃሮ ካብ በሰላ-ዂናት ንክወጹ ኣገዳሲ ተራ ክህልዎ`ዩ ትብል። ያስሚን ኣተሓሒዛ፡ ሃገራት ክምዕብላን ካብ ቀጻሊ ግጭት ክወጻን እንተኾይነን መግብን ጽሩይ ማይን ንተፈናቐልቲ ኣገዳሲ ኮይኑ፡ ትምህርቲ`ውን ኣብ ነዊሕ እዋን ኣገዳሲ`ዩ ትብል ። ሪፖርተር ድምጺ ኣመሪካ ሀንሪ ዊልክንስ ካብ ጋሸና፡ ክልል ኣምሓራ ነቶም ኣብ ክልል ትግራይ ንሳልሳይ ዓመቶም ትምህርቲ ቦኺሮም ዘለዉ ኣስታት 1.39 ሚልየን ቆልዑት ድማ፡ እቲ ሳዕቤን ምናልባት ንምሉእ ዕድሚኦም ዝተንከፈ ክኸውን`ዩ ይብል ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8B%82%E1%8A%93%E1%89%B5-1-39-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%83%E1%88%AE-%E1%8A%95%E1%88%B3%E1%88%8D%E1%88%B3%E1%8B%AD-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%AD%E1%89%A6%E1%8A%BD%E1%88%A9-%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-\/6576998.html"} {"headline":"ናብ ክልል ትግራይ ዝኣትው ሓገዝ እንተተመሓየሸ'ውን ምስ ክውንነት ግን ፍልልይ ከምዘለዎ ሰብ-መዚ ይግለጹ","content":"ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝነበሮ መጠናዊ ምምሕያሽ ደኣ ኣርእዩ ይሃሉ እምበር፡ እቲ ዘሎ ትጽቢትን ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነትን ግን ኣመና ፍልልይ ከም ዘለዎ ሰብ-መዚ እቲ ክልል ይገልጹ ኣለዉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%8D-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%A8%E1%88%B8-%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%AD%E1%8B%8D%E1%8A%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8C%8D%E1%8A%95-%E1%8D%8D%E1%88%8D%E1%88%8D%E1%8B%AD-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8E-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%9A-%E1%8B%AD%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%B9\/6577505.html"} {"headline":"ባንኪ ዓለም 300 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ንኢትዮጵያ ይህብ","content":"ባንክ ዓለም ነቲ ብዂናት ዝተሃስየ ክልላት ዓፋር፡ ኣምሓራ፡ ቤን-ሻንጉል ጉመዝ፡ ኦሮሚያን ትግራይን ዝውዕል ናይ 300 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዝገበረ ኣፍሊጡ። ከም ሓበሬታ እቲ ትካል፡ እቲ ንዳግመ-ሕውየት ብዂናት ዝተሃስዩ ወገናት ዝውዕል ሓገዝ፡ ብፈደራል መንግስቲን፡ ክልላትን ኣብ ባይታ ዝርከቡ ማሕበረ-ኮማትን ዝትግበር ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ። ኣብቲ ገና ኲናት ዘይዓረፈሉ ወገናት ግን ብሳልሳይ አካል ዝሳለጥን ዝፍጸምን ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ። ከም ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ እቲ ሓገዝ ኣብ ጽላታት ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ቀረባት ማይን በቲ ኲናት ጾታዊ መጥቃዕቲ ንዝወረደን ደቀንስትዮ ክውዕል’ዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A3%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-300-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8B%B6%E1%88%8B%E1%88%AD-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%95%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%AD%E1%88%85%E1%89%A5\/6577376.html"} {"headline":"ዝምድና ምዕራባዊያንን ኢትዮጵያን ከምዝተመሓሸ ሚ\/ጉ\/ወጻኢ'ታ ሃገር ይገልጹ","content":"ብሰንኪ ውግእ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ተባላሽዩ ዝነበረ ዝምድና ኢትዮጵያን ምዕራባዊያንን ይመሓየሽ ከምዘሎ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ደመቀ መኮንን ኢትዮጵያ ገሊጾም። ኣቶ ደመቀ መኮንን ትማሊ ሰኑይ ንቤት ምኽሪ’ታ ሃገር ኣብ ዘቅረብዎ ሪፖርት \"መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ንክኣቱ ዘኽእል ምቹእ ባይታ ስለዘጣጠሐ፣ ጸገማት ብሰላም ንክፍትሑ ዘኽእሉ ስጉምቲ ስለዝወሰደን፣ ምስ ምዕራባዊያን ምትእምማን ይፍጠር ኣሎ\" ኢሎም። ንሶም ከምዚ ዋላ’ውን እንተበሉ፣ ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት፣ ምምሕያሽ እንተሃለወ፣ ሎሚ’ውን ጸገማት ከምዝራኣዩ ዝተፈላለዩ ኣካላት ይገልጹ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%8A%93-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A3%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%93%E1%88%B8-%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B9\/6577341.html"} {"headline":"ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ተዓዋቲ 10ይ መድረኽ ዙር ኢታልያ ኮይኑ","content":"ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ 10ይ መድረኽ ዙር ኢጣልያ (ጂሮ ዲ ኢታሊያ) ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ ቢኒያም ግርማይ ቀዳማይ ወጺኡ። ምስ ጋንታ ኢንተርማሸ ዝቀዳደም ቢኒያም ናይ መድረኽ ውድድር ዙር ኢጣልያ ዝተዓወተ ናይ ፈለማ ኣፍሪቃዊ ኰይኑ ታሪኽ ሰሪሑ ኣሎ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ውድድር ማቲው ቫንደር ፖል ንቢንያም ስዒቡ ካልኣይ ክወጽእ እንከሎ፡ ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ውድድር ቢንያም ካልኣይ ክወጽእ እንከሎ፡ ተዓዋቲ ናይቲ መዓልቲ ማቲው ቫንደር ፖል’ዩ ነይሩ። ሎሚ ከኣ ቢንያም ቀዲሙዎ መዛዘሚ ሕንጻጽ ኣብ ዝረገጸሉ እዋን፡ እቲ ካልኣይ ዝወጸ ተወዳዳሪ እንቋዕ ሓጎሰካ ኢሉ ናይ ድጋፍ ምልክት ክገብረሉ ይርአ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%89%B0%E1%89%90%E1%8B%B3%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%89%A2%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%88%9D-%E1%8C%8D%E1%88%AD%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%8B%E1%89%B2-10%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%8A%BD-%E1%8B%99%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B3%E1%88%8D%E1%8B%AB-%E1%8A%AE%E1%8B%AD%E1%8A%91\/6577070.html"} {"headline":"ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ሓላፊት ሕክምናዊ መዳይ ኩባንያ መፍረ መድሃኒት ፋይዘር ዶ\/ር ኣይዳ ሃብተጽየን ተመክሮኣ ተኻፍል","content":"ዋሽንግተን — ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ዶ\/ር ኣይዳ ሃብተጽየን ሓላፊት ሕክምናዊ መዳይ ኣብ ሓደ ካብ ዓበይቲ ትካላት መፍረ መድሃኒት ዓለም ዝኾነ ፋይዘር'ያ። ነቲ ትካል ዓለም ኣብ ማእከል ዓለምለኸ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ዝነበረትሉ እዋን'ያ ተጸንቢራቶ በዚ ድማ ነቲ ውሳነ ክትወስድ ዝደረኻ ምክንያት ኣብቲ መዝነት ክትበጽሖ ትደልይ ዕላማ ከምኡ'ውን ኣብ ወርሒ የካቲት ዝጽንበል ወርሒ ኣፍሪቃዊያን ኣመሪካዊያን ሓንቲ ካብተን ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት መጺኣን ለውጢ ዘምጽኣ 100 ደቂ ኣንስትዮ ተባሂላ ንዝተዋህባ ኣፍልጦ ብሓፈሻ ናይ ህይወት ተመክሮኣ ከተካፍለና ኣዘራሪብና ኣለና። ዊንታ ኪዳነ wkidane@voanews.com ጥለብ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8A%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8D%8B%E1%8B%AD%E1%8B%98%E1%88%AD-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8B%B3-%E1%88%83%E1%89%A5%E1%89%B0%E1%8C%BD%E1%8B%A8%E1%8A%95\/6576647.html"} {"headline":"ኣብ ወረዳ ደራሼ ብዝተፈጥረ ናይ ጸጥታ ጸገም መንገዲታት ምዕጻውን መጉዓዝያ ምትዕንቓፉን ነበርቲ ገሊጾም","content":"ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ፣ ፍሉይ ወረዳ ደራሼን ከባቢኡን ዝተፈጠረ ጸገም ጸጥታ ተጋዲዱ፣ መገዲታት ምዕጻውን፣ ኣገልግሎት መጉዓዝያ ተዓናቒፉ ከምዘሎ ተሓቢሩ። ንድምጺ ኣመሪካ ርእይቶ ዝሃቡ ነበርቲ \"ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ፣ ንኹሉ ብጅምላ ይኣስሩ ስለዘለው፣ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ንበረኻ ይሃድሙ ኣለው\" ኢሎም። ነዚ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ይቀርብ ዘሎ ነቀፌታ ኣመልኪቱ፣ ካብ ክልላዊ ይኹን ጊዚያዊ ወትሃደራዊ ኮማንድ ዝተዋሃበ ግብረ መልሲ የለን ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B3-%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%BC-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%A8-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%8C%B8%E1%8C%88%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%8C%BB%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8C%89%E1%8B%93%E1%8B%9D%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8B%95%E1%8A%95%E1%89%93%E1%8D%89%E1%8A%95-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/6577445.html"} {"headline":"ሰበ-ስልጣን ክልል ትግራይ ንመንእሰያት ብሓይሊ ይምልምሉ ከምዘለዉ ሮይተርስ ሓቢሩ","content":"ሰበ-ስልጣን`ታ ብዂናት ዝተሓመሰት ክልል ትግራይ፡ መንእሰያት ኣንጻር መንግስቲ ኽዓጥቁ ብሓይሊ ይምልምሉ ከምዘለዉ ተሓቢሩ። ንምሩኻትን ንነበርትን መሰረት ጌሩ ሮይተርስ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና፡ ሰበ-ስልጣን ትግራይ እቶም መንእሰያት እንተዘይዓጢቖም ንኣባላት ስድራቤቶም ንምእሳር ከምዘፈራርሑ ጠቒሱ`ሎ። ኣባል ዝምድናታት ወጻኢ ትግራይ ዝኾነ ኪንደያ ገብርሂወት ግን፡ ገለ ኣብ ታሕታዋይ ጽፍሒ ዘለዉ ሰበ-ስልጣን ንወለዲ ኣሲሮም`ዮም ግን እዚ ሳሕቲ`ዩ እቶም ወለዲ`ውን ተፈቲሖም`ዮም እቶም ሰበ-ስልጣን`ውን ተቐጺዖም`ዮም ኢሉ። ሮይተርስ ካብ ወርሒ ለካቲት ክሳብ ግንቦት ምስ ነበርቲ ትግራይ ምስ ዝተማረኹ ዕጡቓትን ምስ ሰራሕተኛታት ረድኤትን ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ንመንእሰያት ናብ ዂናት ንምምልማል ንምግዳድ ስድራቤታት ከምዝእሰሩ ዘመልክት ምዃኑ ብዝርዝር ጸብጺቡ`ሎ። ሮይተርስ ብህወሓት ኣቢሉ ካብ ፖሊስ ርእይቶ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ናይ መራኸቢ መስመራት ጸገም ምላሽ ክረክብ ከምዘይክኣለ ኣፍሊጡ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%88%9D%E1%88%89-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%89-%E1%88%AE%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%88%B5-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6575381.html"} {"headline":"ኢሰመኮ ምንህሃር ውጥረትን ናይ ቃላት ልውውጥን ስግኣት ሰብኣዊ መሰላት'ዮም ክብል ኣጠንቂቑ","content":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ(ኢሰመኮ)፡ ምንህሃር ውጥረትን ናይ ቃላት ልውውጥን ንሰብኣዊ መሰላት ስግኣት ምዃኑ ኣሰሚዑ። ኩሎም ወገናት ግጭት ካብ ምትኹታኽን ካብ ናይ ጽልኢ ቃላትን ተቖጢቦም ሰላማዊ ፍታሕ ከናድዩን ኣብ ልዝብ ክጽመዱን ዝጸውዐ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ሓባራዊ ምርድዳእን ምጽውዋርን ንክህሉ ኩሉ እጃሙ ከበርክት ኣለዎ ኢሉ። ኢሰመኮ ኣብቲ ዘውጽኦ ሓዲሽ መግለጺ፡ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰበ-ስልጣን ትግራይ ከምኡ`ውን ዓፋር፡ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ተጸበይቲ ክበጽሕ ክተሓባበሩ ተማሕጺኑ`ሎ። ሕብረት ኣፍሪቃ:ኢጋድ ከምኡ`ውን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምክልኻል ሓዲሽ ግጭትን ናብ ልዝብ ምምጻእን ንዝግበር ጻዕርታትን ክድግፉ`ውን እቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ጸዊዑ`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%88%B0%E1%88%98%E1%8A%AE-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%88%85%E1%88%83%E1%88%AD-%E1%8B%8D%E1%8C%A5%E1%88%A8%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%83%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%8D%E1%8B%8D%E1%8B%8D%E1%8C%A5%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8C%8D%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8C%A0%E1%8A%95%E1%89%82%E1%89%91\/6575364.html"} {"headline":"ሱዳን፤ ተወላዶ ትግራይ ዝዀኑ ኣባላት ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ዑቝባ ይሓቱ","content":"ከም ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ፡ ተወላዶ ትግራይ ዝዀኑ 40 ኣባላት ናይቲ ኣብ ሱዳን ዓስኪሩ ዝነበረ ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት፡ ዑቕባ ክሓቱ ናብ ሰሜን ሱዳን መጺኦም ኣለዉ። ስሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተ በዓል መዚ ሱዳን፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ኣባላት እቲ ተልእኾ ኣብ ሱዳን ፖለቲካዊ ዑቕባ ይሓቱ ምህላዎም ንኣገልግሎት ዜና ፈረሳይ ኣመልኪቱ። እቶም ብሰንበት ዑቕባ ዝሓተቱ ተወላዶ ትግራይ ናብ ኡም-ጋርጎር ዝተባህለ መዓስከር ስደተኛታት ምውሳዶም’ውን እቲ ዜና ጸብጺቡ ኣሎ። እቶም ኣባላት ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ነበር፡ ናብ ሃገሮም እንተ ተመሊሶም ውሕስና ከም ዘይብሎም ክገልጹ እንከለዉ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ብዛዕባኦም ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ግዳያት ናይቲ ብህወሓት ዝግበር ፕሮፓጋንዳ’ዮም፡” ክብል ምግላጹ ይዝከር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B6-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8B%80%E1%8A%91-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8B%93%E1%89%83%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8B%91%E1%89%9D%E1%89%A3-%E1%8B%AD%E1%88%93%E1%89%B1\/6575258.html"} {"headline":"ስነጥበበኛ ስዒድ ኣንዋር ብቃላት ሓዉን መሳርሕቱን","content":"ብምኽንያት ሃንደበታዊ ሞት መንእሰይ ስነ-ጥበበኛ ስዒድ ኣንዋር ስድራ-ቤቱን መሳርሕቱን ንዘጋጠሞ ሕማም፡ንሓፈሻዊ ባህርያቱን ኣብ ሞይኡን ንዝነበሮ ኣበርክቶን ስነ-ምግባርን ኣመልኪቶም ንድምጺ ኣመሪካ ርእይቶምን ዝክሮምን ኣካፊሎም ኣለዉ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B5%E1%8A%90%E1%8C%A5%E1%89%A0%E1%89%A0%E1%8A%9B-%E1%88%B5%E1%8B%92%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%8B%8B%E1%88%AD-%E1%89%A5%E1%89%83%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8B%89%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%88%B3%E1%88%AD%E1%88%95%E1%89%B1%E1%8A%95\/6570360.html"} {"headline":"ነበርቲ ጥንታዊ ታሪኻዊ ቦታ ላሊበላ ካብ በሰላ ዂናት ንምሕዋይ ይቃለሱ","content":"ቅድሚ ውግእ ሰሜን ኢትዮጵያ ምውልዑ፣ ብትካል ትምህርቲ፡ ስነ-ፍልጠትን ባህሊን ሕቡራት ሃገራት (ዩኔስኮ)ዝተመዝገበ ጥንታዊ ታሪኻዊ ስፍራ ላሊበላ ማእከል ቱሪዝም እዩ ነይሩ። ካብ ከውሒ ብዝተሃነጹ አብያተ ክርስትያናት ዝልለ ላሊበላ፣ አብ እዋን'ቲ ውግእ፣ ምቅይያር ዝቆጻጸሩዎ ሓይልታት ተፈጢሩ’ውን ስለዝነበረ፣ ቱሪዝም ብኡ መጠን ተዳኺሙ አሎ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ይቅጽል ንዘሎ ጻዕሪታት ዳግመ ህንጸት ብዝምልከት ዝተዳለወ ጸብጻብ ካብቲ ቦታ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8C%A5%E1%8A%95%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%89%B3%E1%88%AA%E1%8A%BB%E1%8B%8A-%E1%89%A6%E1%89%B3-%E1%88%8B%E1%88%8A%E1%89%A0%E1%88%8B-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%89%A0%E1%88%B0%E1%88%8B-%E1%8B%82%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%8B%E1%8B%AD-%E1%8B%AD%E1%89%83%E1%88%88%E1%88%B1-\/6570635.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ደርቂ ወለዲ ትሕቲ ዕድመ ደቆም ከመርዕው ይግደዱ ምህላዎም ተሓቢሩ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ደርቂ ወለዲ፡ ትሕቲ ዕድመ ደቆም ከመርዕዉ የገድዶም አሎ ። ከም ሓበሬታ ትካል ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (UNCEIF) ኣብዚ ዓመት ስጋብ ሐጂ ኣብ ዘሎ እዋን መርዓ ትሕቲ ዕድመ ልዕሊ ዕፅፊ ወሲኹ`ሎ። ጉጅለታት ገበርቲ ሰናይ ትካላት፡ ነቶም በቲ ደርቂ አዝዮም ዝተሃሰዩ ስድራ-ቤታት፡ ቀረባት ማይን ካልኦት ዘድልዩዎም ነገራት ብምምላእ ኣብ ዘይዕድመኣን ንዝምርዓዋ ኣዋልድን ነቲ ልምዲ ንምትራፍን ይፅዕሩ አለዉ ። ፨፨፨፨፨ ጻራ ፨፨","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8B%B2-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%8B%95%E1%8B%B5%E1%88%98-%E1%8B%B0%E1%89%86%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%88%98%E1%88%AD%E1%8B%95%E1%8B%8D-%E1%8B%AD%E1%8C%8D%E1%8B%B0%E1%8B%B1-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6570526.html"} {"headline":"ፕሮግራም መግቢ ዓለም 94 ረድኤት ዝፀዓና መካይን ናብ ክልል ትግራይ የምርሓ ምህላወን ኣፍሊጡ","content":"ፕሮግራም መግቢ ዓለም 94 ረድኤት ዝፀዓና መካይን ናብ ክልል ትግራይ የምርሓ ምህላወን ኣፍሊጡ።ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እውን 165 መካይን ናብ ክልል ትግራይ ምእታወን እቲ ትካል ገሊፁ። እተን ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ናብ ክልል ትግራይ ምልኣኹ ዘረጋገፁ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣቶ ደበበ ዘውዴ ካብዚ ብተወሳኺ ብኣየር ዝለኣኽ ረድኤት እውን ቀፂሉ ኣሎ ኢሎም። ይኹን እምበር ናብ ትግራይ ይኣትው ዘሎ ረድኤት ብመንፅር እቲ ዝድለ ኣዚዩ ዝተሓተ ምዃኑን በዚ ምኽኒያት ድማ ሞትን ጥምየትን ይስፋሕፋሕ ከምዘሎ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ክልል ትግራይ ዶክተር ኣትንኩት መዝገቡ ኣብ ቀረባ ንድምጺ ኣመሪካ ምሕባሮም ይዝከር። ምኽኒያት ዋሕዲ ናብ ክልል ትግራይ ዝለኣኽ ረድኤት መራሕቲ ትግራይን ገለ ትካላት ረድኤትን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ተሓታቲ እንተገበሩ እውን መንግስቲ ግን ነቲ ኽሲ ኣይቕበሎን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-94-%E1%88%A8%E1%8B%B5%E1%8A%A4%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8D%80%E1%8B%93%E1%8A%93-%E1%88%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%A8%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%93-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%88%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6570382.html"} {"headline":"ክልል ሶማል ሓይልታት ጸጥታ ኣብቲ ክልል ዘይተመጣጠነ ሓይሊ ምጥቃሞም ኣሚኑ","content":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓይልታት ፀጥታ ኣብ ክልል ሶማሌ ወረዳ ጉርሱም ከተማ ቦምባስ ዘይተመጣጠነ ሓይሊ ፈፂሞም ክብል ትማሊ ንዘውፅኦ መግለፂ ሓቅነት ኣለዎ ክብል እቲ ክልል ተቐቢሉዎ። ፈፀምቲ ናይቲ ፍጻመ ንሕጊ ኣይቀረቡን ዝብል ግን ሓቂ ኣይኮነን ኢሉ።ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ ኣድላይ ዝብሃል ምፅራይ ይውሰድ ከምዘሎ እውን እቲ ክልል ገሊፁ ኣሎ። ኣብ 11ን 12ን መጋቢት 2014 ኣባላት ኣኪሾ ዝተባህሉ ነገድ ብባህላዊ ኣገባብ መራሒኦም ንምምራፅ ኣብ ዝተኣከብሉ እዋን ኣብ መንጎ እቲ ምርጫ ደው ክብል ዝሓተቱ ሓይልታት ፀጥታን ደው ኣይነብልን ዝበሉ ነበርትን ብዝተፈጥረ ግጭት 12 ሰባት ብሓይልታት ፀጥታ ተቐቲሎም ክብል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ትማሊ መግለጺ ኣውጺኡ ኔሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8C%A3%E1%8C%A0%E1%8A%90-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%88%9D%E1%8C%A5%E1%89%83%E1%88%9E%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%88%9A%E1%8A%91\/6570404.html"} {"headline":"በዓል-መዚ መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያ ንጋዜጠኛ ዘ-ኢኮኒሚስት ወረቐት ስራሑ መንጢሉ","content":"ንጉዳይ መራኸቢታት ኢትዮጵያ ዝከታተል በዓል መዚ፡ ንወረቐት ስራሕ ጋዜጠኛ መጽሔት ዘ-ኢኮኖሚስት ቶም ጋርድነር ሎሚ ዓርቢ ከም ዝመንዘዐ ብደብዳበ ሓቢሩ። እቲ ቤት ጽሕፈት ናብቲ ጋዜጠኛ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሕ ዝተዘርግሐን፡ ጋዜጠኛ ጋርድነር፡ ተደጋጋሚ ናይ ጽሑፍን ቃልን መጠንቀቕታ ተዋሂቡዎ ከብቅዕ ንጋዜጠኛዊ ሓላፍነቱ ዝዝንግዕ ስራሓት ከም ዝሰርሐ ኣመልኪቱ ኣሎ። እቲ ጽሑፍ ወሲኹ፡ ንጋዜጠኛ ጋርድነር ደኣ’ምበር ነታ መጽሔት ፍቓድ ከም ዘይከልአን ካልእ ንዝመጽእ ጋዜጠኛ ክቕበሎ ድሉው ምዃኑን ኣመልኪቱ ኣሎ። ኣብቲ ናብ ቶም ጋርድነር ዝተጻሕፈ ደብዳበ ግን ስም ጠቒሱ በቲ ጋዜጠኛ ተፈጺሙ ዝተባህለ ጥሕሰት ኣየነጸረን። ድምጺ ኣመሪካ ርእይቶ ጋዜጠኛ ቶም ጋርድነር ንምስማዕ ዝገበሮ ፈተነ፡ ብትካሉ እምበር ብውልቁ ርእይቶ ክህብ ፍቓደኛ ዘይምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%8B%9A-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%8A%B8%E1%89%A2-%E1%89%A5%E1%8B%99%E1%88%83%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B-%E1%8B%98-%E1%8A%A2%E1%8A%AE%E1%8A%92%E1%88%9A%E1%88%B5%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%89%90%E1%89%B5-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%91-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%A2%E1%88%89\/6570270.html"} {"headline":"ጋዜጠኛ ኣብ ስደት፤ ሉሲ ካሳ","content":" ኣብ ስደተ እትርከብ ጋዜጠኛ ሉሲ ካሳ ናይ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል መዲያ ተዓዋታ ኣላ። ብዛዕባ’ቲ ናብ ዓወት ዘብጽሓታ ዛንታን ካልእ ምስ ሞያኣ ተኣሳሲሩ ዘጓነፋን ማሕለኻታት ኣመልኪትና ኣዘራሪብናያ ኣሎና። ሉሲ ኣብዚ ቃለ-መሕትት ብዛዕባ ኣብ ቢቢሲ ዘሕተመቶ ጽሑፍ’ውን ትጠቅስ’ዩ። ነቲ ናይ ቢቢሲ ጽሑፍ ኣመልኪቱ፡ ጎንደር ዩኒቨርስቲ፡ ኣብ ቢቢሲ ዝወጸ ጽሑፍ ኣትሪሩ ኮኒኑዎን መስረት ኣልቦን ክብል ኣብ ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ኣፍሊጡ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%88%89%E1%88%B2-%E1%8A%AB%E1%88%B3\/6569743.html"} {"headline":"ዳይረክተር USAID ኣብ ቅድሚ ኮሚቴ ሴነት ኣሜሪካ ዝሃበኦ ምስክርነት","content":"ዳይረክተር ትካል ተራድኦ ስግር ባሕሪ ኣሜሪካ (USAID) ሳማንታ ፓወር፣ ‘ኣብ ኢትዮጵያ እኽሊ ዝመልኡ ማኻዚኖታት ብበዝሒ እናሃለው፣ ናብ ዝጠመዩ ሰባት እኽሊ ንከይበጽሕ መገዲ ዝዓጽው ዘለው ሓይልታት’ታ ሃገር እዮም’ ኢለን። ‘ቅድሚ ኣስታት ክልተ ሰሙን ምስ ሚኒስትር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተራኸባሉ እዋን ዝተገንዘበኦ ሓደ ሓቂ ከምዘሎ ንኮሚቴ ሴነት ኣሜሪካ ዝጠቀሳ ሳማንታ ፓወር ‘ምስ ሚኒስትር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተራኸብኩሉ እዋን ከምዝገለጸለይ፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ካብ’ቲ ዛጊድ ንፈልጦ ቅልውላው ኣብ ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ካልእ፣ ናይ ሓረስቶት ተቃውሞን ስምዕታን ይቃላሕ ከምዘሎ ሓቢሩለይ’ ኢለን። ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነተ ክዙን እኽሊ ኣመልኪተን ክዛረባ ከለዋ ድማ፤ ‘ኣብ ኢትዮጵያ፣ እኽሊ ዝመልኡ መኻዚኖታት ብበዝሒ እናሃለው፣ ብጥምየትን ጉድለት ምግብናን ናብ ዝሳቀዩ ዘለው ሰባት፣ እኽሊ ንከይበጽሖም ዕንቅፋት ኮይኖም ዘለው፣ ሓይልታት መንግስቲ ኮይኖም ኢና ንረኽቦም\" በላ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6568753.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ደርቂ ልዕሊ 600 ሽሕ ተማሃሮ ካብ ትምህርቶም ክቦኽሩ ምግዳዶም ተሓቢሩ","content":"ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተታት ዓመታት ዘጋጠመ ዝኸፍአ ዝበሎ ደርቂ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም፣ብኣማኢት ዝቑጽሩ ኣብያት ትምህርቲ ክዕፀውን ልዕሊ 600,000 ቆልዑት ካብ ትምህርቶም ክቦኽሩ ኣገዲዱዎምን ክብል ኣፍሊጡ።ህፃናት ኣድሕን (ሴቭ ዘ ችልድረን) ዝተባህለ ትካል ረድኤት ኣብ ጥቓ ኩሉ ንብረቶም ዝሰኣኑ ስድራታት ዝነብሩሎም መዕቖቢ ተመዛበልቲ ቆልዑት ኣብ ክፍልታት ንክራኸቡ ንምሕጋዝ ማእኸላት ሃኒፁ ኣሎ። እንስሳት ብምርባሕን ብሕርሻን ዝናበሩ ልዕሊ 900,000 ስድራቤታት ድማ ብዝቐፀለ ደርቂ ተመዛቢሎም ኣለው። ኣብ ኢትዮጵያ ሰራሕተኛ ህፃናት ኣድሕን ዓሊኑር ሞሓመድ ከም ውፅኢት ምምዝባል፣ድርቅን ሞት እንስሳትን ዝተፈላለየ ናይ ስነ ኣእምሮ ስምብራት የጋጥም ምህላዎ ይገልጽ። ንሱ ወሲኹ\"ብውሑዱ ቆልዑት ተኣኪቦም ኣብ ልዕሊ ስድርኦም ዝወረደ ነገር ረሲዖም ዝፃወትሉ ቦታ ክንፈጥረሎም ኣለና’’ ይብል ። እቲ ፃዕሪ ከም ኣሕመድ ኑር ዝኣመሰሉ ትምህርቶም ክቕፅሉ ሕጉሳት ዝኾኑ ተመዛበልቲ ቆልዑ ዝሕግዝ እዩ። ኣሕመድ ኑር ኣብ ጎዴ ኣብ ዝርከብ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ፋርቡሮ ሓምሻይ ክፍሊ እዩ።ንሱ ኣብ ክሊ ናቱ ዕድመ ዝርከቡ ቆልዑ ክምሃሩ ምስርኣየ ናብ ትምህርቲ ከእትዉዎ ንወለዱ ሓቲቱዎም: ናብዚ ኣምፂኦምዎ ሕጂ ኣብ ሓምሻይ ክፍሊ ይምሃር ከምዘሎ ይሕብር። ኣብ ክፋላት ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ገጠራትን ርሑቕ ማሕበረሰባትን መበገሲ ትምህርቲ ደረጃ ትሑት እዩ። ብመሰረት ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ህፃናት ልዕሊ 60% ተማሃሮ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ናብ ዝልዓለ ደረጃ ትምህርቲ ከሰጋግሮም ዝኽእል እኹል መሕለፊ ነጥብታት ኣይረኽቡን።እዚ ማለት 54% ቆልዑ ጥራሕ እዮም ናብ ሻምናይ ክፍሊ ዝሓልፉ። ኣብ ኢትዮጵያ ዳይረክተር ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ህፃናት ጃንፍራንኮ ሮቲግሊያኖ ምንካይ ምቁራፅ ትምህርቲ ወሳኒ እዩ ይብሉ። \"ሓደ ወይ ክልተ ናይ ትምህርቲ ዓመታት እንተድኣ ሓሊፉዎም ፈፂሞም ናብ ቤት ትምህርቲ ኣይምለሱን’’ ይብሉ። \"ምኽኒያቱ እቲ ጉዳይ ዕድሜኻ 14 እንተድኣ ኮይኑ ምስ 11ን ወይ 12 ዓመቶም ቆልዑ ኮፍ ክትብል ኢኻ።ምቾት ኣይስምዐካን።ትፈልጢ ኢኺ እቲ ስድራ እውን ድኻ ስለዝኾነ ዝደፍእሉ ምኽኒያት ኣይርኣየካን።ስለዚ ሳዕቤኑ ከቢድ እዩ።\" ካብ ዝውሃቦም መተባብዒታት ሓደ ኣብ ቤት ትምህርቲ ናይ ምምጋብ ፕሮግራም እዩ። ትካል ህፃናት ኣድሕን ኣብ ቀዳማይ ቤት ትምህርቲ ፋርቡሮ ንቖልዑ መግቢ ምቕራብ ደው ከምዘበለ ምኽንያቱ ድማ ገንዘብ ናይ ምምዳብ መደብ ብዘይምሕዳሱ ምዃኑ ይገልጽ። ብሰንኪ ደርቂ ሕፅረት ኣመጋግባ እናዓበየ ምስ ምኻዱ እቲ ትካል ህፃናት ከይሓሙ ዝለዓለ ንጥረ ነገር ኒውትሪሽን ዘለዎ ብሽኮቲ ንምቕራብ ይፍትን ኣሎ። ናብዚ ናይ ተመዛበልቲ ካምፕ በብሰሙኑ ብዙሓት ስድራታት ይውሕዙ ስለዘለው ናይ መምሀሪ ክፍልታት ይፀብብ ኣሎ።መምህራን ውን ኣብ ነዊሕ ግዜ ቀዋሚ ትምህርቲ ክህነጽ ኣለዎ ይብሉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-600-%E1%88%BD%E1%88%95-%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%83%E1%88%AE-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%89%A6%E1%8A%BD%E1%88%A9-%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%8B%B3%E1%8B%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6567374.html"} {"headline":"ጉባኤ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣብ ጎንደር ዘጋጠመ ፍጻመ ሃይማኖት መሰረት ዝገብረ ከምዘይኾነ ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ጎንደር ዘጋጠመ ንሞት ብርክት ዝበሉ ሰባት፣ ንዕንወት ንብረት ጠንቂ ዝኾነ ግጭት፣ ሃይማኖታዊ ከምዘይነበረ ጉባኤ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ገሊጹ። ትማሊ ናብቲ ቦታ ብምጉዓዝ ምስ ሃይማኖታዊ መራሕቲ ህዝባዊ ኣኼባ ከምዘሳለጠ ዝገልጽ እቲ ትካል፣ ጸገም ሰናይ ምሕደራን ሕቡእ ኣጀንዳ ዘሰጉሙ ዝበሎም ወገናት ዘበገስዎ ከምዝኾነን፣ ገበነኛታት ንዝበሎም ናብ ፍርዲ ንክቀርቡ፣ ዝተጎድኡ ክፍሊ ሕብረተ ሰብ፣ ዘድሊ ድጋፍ ንክግበረሎምን ልዕልና ሕጊ ንክረጋገጽ ኣንፈት ከምዝተነጸረ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ሪፖርት ይሕብር። ምምሕዳር’ታ ከተማ፣ ኣብ’ቲ ተግባር ተሳቲፎም ንዝበሎም ኣስታት 250 ጥርጡራት ከምዝኣሰረ’ውን ወኪልና ኣብ ዝላኣኾ ዜና ገሊጹ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%89%E1%89%A3%E1%8A%A4-%E1%88%83%E1%8B%AD%E1%88%9B%E1%8A%96%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%8D%8D%E1%8C%BB%E1%88%98-%E1%88%83%E1%8B%AD%E1%88%9B%E1%8A%96%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8A%BE%E1%8A%90-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6567062.html"} {"headline":"ፍሉጥ ኤርትራዊ ተዋሳኣይ ስዒድ ኣንዋር ዓሪፉ","content":"ፍሉጥ ኤርትራዊ ተዋሳእይ ስዒድ ኣንዋር ሎሚ ቅድሚ ፋዱስ ኣብ ኣስመራ ዓሪፉ። ካብ ኣብኡ ኣንዋር ሳልሕን ኣዲኡ ሸምሱ ሳልሕን ኣብ 1984 ዝተወልደ ስዒድ ኣንዋር፡ ብዝሓደሮ ሕማም ንሓጺር እዋን ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ዓሪፉ'ሎ። ኣብ ዳሕረወይቲ \"ማጨሎ\" ትብል ፊልም ከም ቀንዲ ጠባይ ብሽም \"ጆሲ\" ብምውሳእ ብቕዓቱ ከም ዘመስከረን፥ ቅድሚ ሎሚ'ውን ኣብ ልዕሊ 50 ተኸታተልቲ ፊልምታት ከምዝተዋስአ ደራሲ ፊልም \"ማጨሎ\" ደበሳይ ወልዱ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ'ሎ። ስነ-ስርዓት ቀብሩ ጽባሕ ሓሙስ ሰዓት 4:00 ድሕሪ ፋዱስ ክፍጸም ምዃኑ ተሓቢሩ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%8D%E1%88%89%E1%8C%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%89%B0%E1%8B%8B%E1%88%B3%E1%8A%A5%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%8B%92%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%8B%8B%E1%88%AD-%E1%8B%93%E1%88%AA%E1%8D%89\/6567036.html"} {"headline":"ኤርትራዊት-ኣመሪካዊት ፕሮ. ኣስመረት ኣሰፋው ዳይረክተር ሳይንስ ኣመሪካ ኰይና","content":"ሰነት ኣመሪካ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ንኤርትራዊት-ኣመሪካዊት ፕሮፈሰር ኣስመረት ኣሰፋው በርሀ፡ ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ሳይንስ ኣብ ፈደራላዊ ክፍሊ ጸዓት ኣመሪካ ክትከውን ኣጽዲቑ። ኣብ ሚያዝያ 2021 ነቲ መዝነት ብፕረዚደንት ባይደን ዝተረቝሐት ፕሮፈሰር ኣስመረት፡ ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ድምጺ ሰነት 54-45 ድሕሪ ምቝጻሩ ነቲ መዝነት በቒዓ ኣላ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ካሊፎርኒያ መርሰድ መምህርን ተመራማሪት ኰይና ከተግልግል ዝጸንሐት ፕሮፈሰር ኣስመረት፡ ግዜያዊት ተሓባባሪት ዲን ናይ ኮለጅ ትምህርቲ’ውን’ያ ጸኒሓ። ኣስመረት ካብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ብስነ-ሓመድን ኣከባቢን ዝተመረቐት’ያ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8D%95%E1%88%AE-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%B0%E1%8D%8B%E1%8B%8D-%E1%8B%B3%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%8A%AD%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%88%B3%E1%8B%AD%E1%8A%95%E1%88%B5-%E1%8A%B0%E1%8B%AD%E1%8A%93\/6566780.html"} {"headline":"ኵርናዕ ናጻ ፕረስ፤ ቴለቪዥን ኤሪ-ሳት","content":"ዋሽንግተን — ዝሓለፈ ሰሉስ ተዘኪሩ ዝወዓለ መዓልቲ ናጻ ፕረስ ምኽንያት ብምግባር፡ ንዋና ኣካያዲ ስራሕ ናይ ፈለማ ህዝባዊት መደበር ሳትላይት ቴለቪዥን--ኤሪ-ሳት ዝዀነ ሄኖክ ተኽለ (ብጫ) ኣዘራሪብና ኣሎና። ንቕርጺ እቲ ትካል፡ ምወላ፡ ብዝሒ ኣባላትን ካልኦት ምስታ መደበር ቴለቪዥን ተኣሳሲሩ ዝለዓል ሕቶታትን ንዝምልከት ምላሽ ሂቡ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%B5%E1%88%AD%E1%8A%93%E1%8B%95-%E1%8A%93%E1%8C%BB-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%89%B4%E1%88%88%E1%89%AA%E1%8B%A5%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AA-%E1%88%B3%E1%89%B5\/6565825.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፍርያት ነዳዲ ወሰኽ ዋጋ ምግባሩ ኣፍሊጡ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ መጋቢት 30 ጀሚሩ ኣብ ዋጋ ፍርያት ነዳዲ ወሰኽ ምግባሩ ኣፍሊጡ'ሎ።ነዚ ወሰኽ ዋጋ ስዒቡ ክልላት ናይ መጎዓዚያ ታሪፍ ወሰኽ ገይረን ኣለዋ።መንግስቲ ዓለምለኸ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ኣብ ፈንድ መረጋግኢ ዋጋ ነዳዲ ካብ 10 ቢሊዮን ብር ጉድለት ስለዘመዝገበ ወሰኽ ንምግባር ከምዝተገደደ ክገልፅ ከሎ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ማሕበር ሰብ ሞያ ቁጠባ ፕሮፌሰር መንግስቱ ከተማ ግን እቲ ስጉምቲ እዋኑ ዘይሓለወ እዩ ኢሎም። ፕሮፌሰር መንግስቱ እቲ ስጉምቲ ንዘሎ ናህሪ ዋጋ ከጋድዶ እዩ ዝብል ስግኣት ከምዘለዎም ወሲኾም ይገልጹ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8A%90%E1%8B%B3%E1%8B%B2-%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%BD-%E1%8B%8B%E1%8C%8B-%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%88%A9-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6565731.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ኣብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ በድሌ ሮቃ ሕጽረት መግቢ ከምዘሎ ተመዛበልቲ ገሊጾም","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ወረዳ ሃብሩ መዕቖቢ ቦታ በድሌ ሮቃ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ኣጋጢሙና ብዝበሉዎ ዘተሓሳስብ ሕፅረት መግቢን ሰብኣዊ ጉድኣትን ካብቲ መዕቖቢ ወፂኦም ናብ ከተማታት ይስደዱ ከምዘለው ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም። ተመዛበልቲ ኣብ ዝኸዱሉ ከተማታት ንልመና ከምዝተቓልዑ ሓቢሮም ኣለው። ናይ ክልል ኣምሓራ ኮሚሽን ምክልኻል ሓደጋን ውሕስነት መግብን ሓገዝቲ ኣካላት ዝኣተውዎ ቃል ብእዋኑ ረድኤት ኣየቕረቡን ብዝብል ኣብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ሕፅረት መግቢ ከምዘሎ ኣረጋጊፆም ኣለው። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%95%E1%89%96%E1%89%A2-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%89%A0%E1%8B%B5%E1%88%8C-%E1%88%AE%E1%89%83-%E1%88%95%E1%8C%BD%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/6565709.html"} {"headline":"ኢትዮ-ቴለኮም ሸፈነ ኢንተርነት የዕቢ","content":"ብመንግስቲ ዝውነን ኢትዮ-ቴለኮም ናይ ደገ ኣውፈርቲ ንምትብባዕ፡ ናይ ቴለፎን ኢንተርነት ናብ 5 ጂጋ-ባይትስ (5G) ከም ዘዕበዮ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ። 5G ካብቲ ዘሎ ቅልጠፈ ኢንተርነት ብ20 ግዜ ከም ዝዓቢ እቲ ዜና የመልክት። ዋና ፈጻሚት ስራሕ እቲ ትካል ፍረህይወት ታምሩ ከም ዝጠቐሰቶ፡ እቲ ኣገልግሎት ናብ ካልእ ቦታታት ቅድሚ ምዝርጋሑ ፈለማ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ጥራይ ተሓጺሩ ክጸንሕ’ዩ። እቲ ኣስታት 64 ሚልዮን ተጠቀምቲ ዘለዎ ኢትዮ-ቴለኮም ነዚ ሓድሽ ናይ ኢንተርነት ዝርጋሐኡ ምስ ዋወ (Huawei) ዝተባህለ ናይ ቻይና ትካል ብምትሕብባር’ዩ ዘኻይዱ ዘሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE-%E1%89%B4%E1%88%88%E1%8A%AE%E1%88%9D-%E1%88%B8%E1%8D%88%E1%8A%90-%E1%8A%A2%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8B%A8%E1%8B%95%E1%89%A2\/6565330.html"} {"headline":"ዝቕባበ ኢትዮጵያን መምርሒ ገንዘብን ክልል ትግራይ ብዓይኒ ክኢላ ቍጠባ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ግዜ ቅልጡፍን ተዓጻጻፊን ናህሪ ዋጋታት ይርአ ኣሎ። ንቑጠባዊ ዝቕባበን ምኽንያት ክብሪ ዋጋታትን፡ ከምኡ’ውን ንምጽጋኑ ብዛዕባ ክግበር ዝኽእል ምትእትታዋት ንኸብርሃልና ንክኢላን መምህርን ስነ-ቁጠባ ዶክተር ኣብራር ፍትዊ ኣዘሪብናዮ ኣሎና። ዶ\/ር ኣብራር ኣብ ቀረባ ግዜ ብዛዕባ ብኽልል ትግራይ ዝወጸ ንምእካብ ገንዘብ ኣመልኪቱ ዝወጸ መመርሒ’ውን መብርሂ ሂቡ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%9D%E1%89%95%E1%89%A3%E1%89%A0-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%92-%E1%8C%88%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%8B%93%E1%8B%AD%E1%8A%92-%E1%8A%AD%E1%8A%A2%E1%88%8B-%E1%89%8D%E1%8C%A0%E1%89%A3\/6564280.html"} {"headline":"ቃለ-መጠይቕ ምስ ስነ ጥበባዊ ተኽለ ክፍለማርያም (ወዲ ትኹል)","content":"ኣብ ስነ-ጥበብ ልዑል ተፈላጥነት ዘለዎ ገዲም ድምጻዊ ተኽለ ክፍለማርያም(ወዲ ትኹል) ካብ ዝፍጠር ርእሰይ ኢሉ ከምዘይፈልጥ ፈለጥቱ ይምስክርሉ። ኣብ ምሕጋዝን ተወፋይነትን ቅድሚት ከምዝስራዕ`ውን ብሓደ ቃል ይዛረቡ። ሎሚ ግን ብኸቢድ ሕማም ተታሒዙ ሓገዝ ብጾቱን ፈተውቱን ዝጽበየሉ ግዜ ኣትዩ ይርከብ። ወዲ ትኹል ኢመርጀንሲ ኣትዩ፡ ናብ ቅልጡፍ መርመራ ኮለን ካንሰር ኮይኑ ካብ ገዚፍ መዓንጣ ቆሪጾም ከምዘውጽእሉን ጥዕንኡ ከም ዝተመሓየሸን ይገልጽ። ድሕሪኡ ግን ኣብቲ ዝነበረ ናይ ሕክምና ምምልላስ ካብ ዓዲ ዘምጽኦ ናይ ዶክተር ነጋሲ ወረቐት ምስ ኣርኣዮም ናብ ዝለዓለ ሕክምና ከምዘሕለፍዎን ጸላም ከብዲ`ውን ተተንኪፋ ከምዘላ ከም ዝነገርዎን ይገልጽ። ብሞራልን ወዲ-ትኹል ንምድሓንን ኣብ ዝግበር ዘሎ ምርብራብ ካብ መንጎ ዝመርሑ ዘለዉ መጋድልቱን ናይ ስነ-ጥበብ መሳርሕቱን ሓደ፡ ፍጹም ወልደማርያም(ወዲ ዛግር)ኣዘራሪብናዮ ኣለና። ወዲ ትኹል፡ ኣብ መወዳእታ፡ \"ኣነ ነዚ ህዝቢ`ዚ እኹል ዘዕግብ ስራሕ ኣይሰራሕኩን\" ብምባል ካልእ ሕልሚ ከምዘለዎ ይገልጽ። ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%8C%A5%E1%89%A0%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%89%B0%E1%8A%BD%E1%88%88-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%88%88%E1%88%9B%E1%88%AD%E1%8B%AB%E1%88%9D-(%E1%8B%88%E1%8B%B2-%E1%89%B5%E1%8A%B9%E1%88%8D)\/6563886.html"} {"headline":"ወኪላት ዝተፈላለያ ኤምባሲታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት ላሊበላ በጺሖም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኤምባሲ ኣመሪካ ፈፃሚት ጉዳይ ኣምባሳደር ትሬሲ ጃከብሰንን ካልኦት ወከልቲ ኤምባሲታትን ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተጓዒዞም ንኣብያተ ክርስትያናት ላሊበላ በፂሖም። ኣብ ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበትን ኣምባሳደር ትሬሲን ወከልቲ ሃገራት ኤውሮጳን ኣውስትራልያን ናብቲ ቦታ ምብጽሖም ተሓቢሩ'ሎ። ኣምባሳደር ጃከብሰን ኣብ እዋን’ቲ ዑደት ምስ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ተራኺበን ኣብ ጉዳይ ቫይረስኮሮና፡ ብምኽንያት’ቲ ናይ ሰሜን ኹናት ንዝዛሕተለ ጉዳይ ቱሪዝምን ኣመልኪተን ተመያይጠን’ለዋ። ኣብቲ ዑደት ዝተረኸቡ ምክትል ሚንስትር ቱሪዝም ኢትዮጵያ አቶ ስለሺ ግርማ ንኣምባሳደር ትሬሲን ካልኦት ኣጋይሽን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝገበረዎ ማዕቀብ ጉዕዞ ከልዕልዎ ሓቲቶም’ለዉ። ብተወሳኺ ንሶም ድሕሪ'ቲ ኹናት ስዒቡ ኣብ ቦታታት ቱሪዝምን ሓድግታትን ጉድኣት ምግጣሙ ሓቢሮም ኣለው። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%88%E1%8A%AA%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%AB-%E1%8A%A4%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8B%E1%88%8A%E1%89%A0%E1%88%8B%E1%8A%95-%E1%8B%8D%E1%89%85%E1%88%AE%E1%8A%95-%E1%89%A0%E1%8C%BA%E1%88%96%E1%88%9D\/6563931.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ኣብ ዞባ ስልጤ ትካላት እምነት ብምቅጻል ዝተጠርጠሩ 79 ሰባት ኣብ ቐይዲ ምእታዎም'ቲ ዞባ ገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ምምሕዳር ዞባ ስልጤ ኣብ ልዕሊ ትካላት እምነት ክርስትና መጥቓዕቲ ፈጺሞም ዝተባህሉ 79 ጥርጡራት ኣብ ቐይዲ ምእታዎም ተገሊጹ። ኣብ ዞባ ስልጤ ከተማ ወራቤን ወረዳ ሳንኩራን ሓላፊ መምርሒ ጉዳያት ኮሚኒኬሸን ኣቶ ከድር ዓብደላ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ብጉልባብ ሃይማኖት ንዝተፈጥረ ፀገም ፀጥታ ምርግጋእ ከምዝተኻእለን ብገበን ዝተጠርጠሩ ዉልቀ ሰባት ከምዝተታሕዙን ዝተፈልዩ ተጠርጠርቲ ኸኣ ይድለዩ ምህልዎም ገሊፆም። ህዝቢ’ቲ ዞባን መንግስቲን ንዝነደዱ ትካላት እምነት መሊስካ ንምህናፅ ገንዘብ ከተኣኻኽብ ከም ዝጀመረ ናይቲ ዞባ ሓላፊ መምርሒ ጉዳያት ኮሚኒከሽን ኣቶ ከድር ዓብደላ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም ኣለው ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A4-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A5%E1%88%9D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%89%85%E1%8C%BB%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%A0%E1%88%AD%E1%8C%A0%E1%88%A9-79-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%90%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%B2-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6564137.html"} {"headline":"ናጻ ፕረስ ኢትዮጵያ፤ ቍልዒ ተስፋ ቅልጡፍ ምንቍልቋል","content":"3 ግንቦት ተዘኪሩ ኣብ ዝወዓለ መዓልቲ ናጻ ፕረስ ምኽንያት ብምግባር፡ ድምጺ ኣመሪካ፡ ክፍሊ ኣፍሪቃ፡ ኣብዚ ኣርእስቲ ፍሉይ ምድላዋት ገይሩ ኣሎ። ካብ ዝሓለፈ ዝቐጸለ፡ ንኣብ ስደተ እትከብ ኢትዮጵያዊት ጋዜጠኛ ርእዮት ኣለሙ ኣዘራሪቡ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%8C%BB-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%8D%E1%88%8D%E1%8B%92-%E1%89%B0%E1%88%B5%E1%8D%8B-%E1%89%85%E1%88%8D%E1%8C%A1%E1%8D%8D-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%8D%E1%88%8D%E1%89%8B%E1%88%8D\/6561203.html"} {"headline":"ተወሳኺ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ክኣቱ ሕ\/ሃን ትካል ሓገዝ ስግር ባሕሪ ኣመሪካን ጸዊዖም","content":"ዳሕረዋይ ምግዓዝ ረድኤት ካብ ዝጅምር ንደሓር 169 ረድኤት ዝጻዓና መካይን 43,000 ኩንታል ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓገዝ ጽዒነን ናብ ክልል ትግራይ ኣትየን ኣለዋ። እቲ ቀረባት ካብ መቀለ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ተኸፋፊሉ እዩ። እንተኾነ ምስ’ቲ ናብ ትግራይ ክላኣኽ ዝነበሮ መጠን ኣነጻጺርካ እቲ ዛጊት ዝኣተወ ሓገዝ ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ዱያሪክ ብምሕባር፣ ከም ኣገልግሎት ኤለክትሪክ፣ ስልኪ፣ ኢንተርኔትን ባንኪን ግና ሎሚ’ውን ተቋሪጾም ምህላዎም ሓቢሮም። እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ ቅድሚ ኣዋርሕ ክረምቲ ምጅማሩ፣ ድኹዒን ዘርኢን ናብ ትግራይ ንምእታው ሕቡራት ሃገራትን መጻምድቱ ትካላት ረድኤትን ምስ ዝምልከቶም ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ይዘራረቡሉ ከምዘለው’ውን ሓቢሩ። ዳይሬክተር ትካል ሓገዝ ስግር ባሕሪ ኣመሪካ (ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ) ሳማንታ ፓወር ብወገነን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝወረደ ‘ጥፍኣት’ ኢለን ዝገለጽኦ ኣብ’ቲ ዞባ ዝተወለዐ ውግእ ንትሸዓተ ሚልዮን ህዝቢ ተጸባዪ ረድኤት ከምዝገበሮ፣ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ድማ ካብ ከባቢኦም ከምዘፈናቀለ ጠቂሰን። ሳማንታ ፓወር ኣብ ክልል ትግራይ ጥራሕ ኣስታት 90% ህዝቢ ተጸባዪ ረድኤት ኮይኑ ከምዘሎ ሓቢረን። \"ነቲ ኣብ ትግራይ አጋጢሙ ዘሎ ሰፊሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምምላእ፣ ሰሙን ሰሙን ኣስታት 500 ረድኤትን ኣገደስቲ ነገራትን ዝጻዓና መካይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ግድን እዩ። ኩነታት የንቆልቁሉ እዮም ዘለው። ስድራ ቤታት ዝቅመስ መግቢ የብሎምን\" ኢለን። ሳማንታ ፓወር ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ህዝቢ ሰሜን ኢትዮጵያ ንኣዝዩ ኣገዳሲ ሰብኣዊ ቀረባት ኣብ ዝጽበይሉ፣ ኩሎም ፌደራላዊን ክልላዊን ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያን መራሕቲ ኮሚኒቲን፣ ነዚ ዕድል’ዚ ክጥቀሙሉ፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ዝተጀመሩ ኣዎንታዊ ሰብኣዊ ቀረባት ክውስኽሉን፣ ንቃንዛ ህዝቢ ከብቅዕን ንኢትዮጵያ ናብ ጎደና ብሩህ መጻኢ ክመልስዋን ጸዊዔን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B3%E1%8A%BA-%E1%88%A8%E1%8B%B5%E1%8A%A4%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%8A%A3%E1%89%B1-%E1%88%95-%E1%88%83%E1%8A%95-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%88%B5%E1%8C%8D%E1%88%AD-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8A%95-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%96%E1%88%9D\/6561057.html"} {"headline":"ህዝቢ ምስ ህዝቢ: ብምኽንያት ዒድ ኣልፈጥር","content":"ጀሚላ ሽምሰዲን፡ ካብ ዓዲ ገሹ ዝተባህለ ዓዲ ዝተፈናቐለት ተማሃሪት ዩኒቨርሲቲ መቐለ ክትከውን ከላ፡ ሰዒድ ዓብደኑር ድማ፥ ካብ ቤት ትምህርቲ ተክኒክ ተመሪቑ ኣብ ኣስመራ ኣብ ስራሓት ንግዲ ተዋፊሩ ዝርከብ ዜጋ እዩ። ክልቲኦም ነቲ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ዝተኸብረ ዒድ ኣልፈጥርን ልምድን ባህሊን ጾመ- ረመዳን ከካፍሉ ኣዘራሪብናዮም ኣለና። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%92%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%AD\/6556915.html"} {"headline":"'ናብ ፍርዲ ዘይቀረብኩ ኢልካ ምሕታት ንባዕሉ ሓደጋ’ዩ' ይርጋኣለም ፍስሃ","content":"ትማሊ (3 ግንቦት) ተዘኪሩ ኣብ ዝወዓለ መዓልቲ ናጻ ፕረስ ምኽንያት ብምግባር፡ ድምጺ ኣመሪካ ክፍሊ ኣፍሪቃ፡ ኣብዚ ኣርእስቲ ፍሉይ ምድላዋት ገይሩ ኣሎ። ሕጂ ኣብ ሃገረ ጀርመን እትርከብ ኤርትራዊት ገጣሚትን ጋዜጠኛን ይርጋኣለም ፍስሃ ከኣ ሓንቲ ካብዞም ተመኵሮኦም ዘካፍሉ ኣካል’ዚ ፍሉይ ምድልዋት’ያ። ንናይ ማእሰርቲን ካልእ ጸገማት ፕረስን ኣመልኪትና ሓጺር ዕላል ኣካዪድና ኣሎና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%80%E1%88%A8%E1%89%A5%E1%8A%A9-%E1%8A%A2%E1%88%8D%E1%8A%AB-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%8B%95%E1%88%89-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B-%E1%8B%A9-%E1%8B%AD%E1%88%AD%E1%8C%8B%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%8D%8D%E1%88%B5%E1%88%83\/6556895.html"} {"headline":"ርእይቶ ጋዜጠኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ፕረስ","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ መዝነት ምስ መጹ ናፃ ሚዲያ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ቃል ኣትዮም ነይሮም።ምስ ሓይልታት ትግራይ ኲናት ምስተልዓለ ግን ብዙሓት ጋዜጠኛታት ምፍርራሕ፣ማእሰርቲን ካብታ ሃገር ምብራርን ከምዘጋጠሞም ተፀብፂቡ እዩ። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ስልጣን ምስሓዙ ንናፃነት ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ኣብ ፓሪስ ዝመደብሩ ጋዜጠኛታት ብዘይ-ዶብ ንኢትዮጵያ ኣብ ዓለምለኸ ኣሃዛዊ መዐቀኒ ናፃነት ፕረስ ብ40 ደረጃ ሓፍ ኣቢሉዋ ነይሩ። እዚ ንዓሰርተታት ዓመታት ብዝፀንሐ ናይ ሚዲያ ዓፈና ንእትፍለጥ ሃገር ግዙፍ ዝላ'ዩ ነይሩ።ኣብ መወዳእታ 2020 ኣብ መንጎ ሓይልታት ፌደራል መንግስትን ናይ ትግራይ ተዋጋእትን ኲናት ካብ ዝጅመር ግን ኢትዮጵያ ደረጅኣ መሊሱ ኣንቆልቂሉ ኣሎ። ናይ 2022 መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ምኽኒያት ብምግባር ኢትዮጵያዊያን ጋዜጠኛታት ስርሖም ንምዕያይ ማዕረ ክንደይ ነፃነት ከምዝስምዖም ተዛሪቦም ኣለው። ንኣሶሼትድ ፕረስ ዝሰርሕ ኤሊያስ መሰረት ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ኣብ ኢትዮጵያ ናፃነት ፕረስ ኣብ መስቀለኛ መንገዲ ይርከብ ይብል። \"ብሓፈሻ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ሕፅረት ሞያዊያን ናብ ሓደ ዝዘዘወ ኣረኣእያን መፍለይ ምልክት ሚዲያ ኮይኑ ኣሎ ክብል እኽእል እየ\" ይብል። \"እዚ ንኽልወጥ መንግስቲ ሰብ-ሞያ መራኸቢ ብዙሃን ስርሖም ብናፃነት ክሰርሑ ክፈቅድ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ኣለዎ።እዚ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ምክልባትን ምፍርራሕን ማለት እዩ።\" ኣሰግድ ሙሉጌታ ብመንግስቲ ኣብ ዝውነን ናይ ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፐረሽን መደበር ሬድዮ ኣቕራቢ እዩ።ንሱ ብድምር ኣብ ቀረባ ዓመታት ናፃነት ፕረስ ተመሓይሹ እዩ ይብል።ኣብ 2018 እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ንኩሎም ጋዜጠኛታት ካብ ቤት ማእሰርቲ ፈቲሖም።ድሕሪኡ ግን እቲ ምዕባለ ተቐይሩ። ኣብ 2021 ኢትዮጵያዊያን ጋዜጠኛታት 46 ጋዜጠኛታት ምእሳሮም ሰኒዶም: እዚ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ እታ ዝኸፍአት ኣሳሪት ጋዜጠኛታት ይገብራ። ብመንግስቲ ዝድገፍ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ስቪል ዝተኸደኑ መኮነናት ዝኣሰሩዎን ዛጊት ኣበይ ከምዘሎ ዘይፍለጥን ጋዜጠኛ ጎበዜ ሲሳይ ብዝምልከት ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ስኽፍትኡ ገሊፁ። ካልእ ጋዜጠኛ ኣሚር ኣማን ኪያሮን መሳርሕቱ ቶማስ እንግዳን ኣብ ሕዳር ተኣሲሮም ኣብ መጋቢት ብዋሕስ ተፈቲሖም።ንናይታ ሃገር ሕጊ ህፁፅ ኣዋጅ ግዜ ኲናትን ሕጊ ፀረ ሽበራን ብምጥሓስ ገበነኛ ኮይኖም እንተተረኺቦም ሕጂ እውን ማእሰርቲ ይፅበዮም ኣሎ። ኣሰግድ ግን ሕጂ እውን እንተኾነ ህወሓት ምስ ዝዓብለሎ ቅድሚ 2018 ዝነበረ መንግስቲ ብምውድዳር ምምሕያሻት ይርኣዮ። \"ብዙሓት ማሕነቖታት ፣ብዙሕ ምመያ፣መውቃዕቲ ጋዜጠኛታት ነይሩ።ሎሚ ምዕንባብ ሚዲያታት ዩቱብን ኦንላይን ንርኢ ኣለና።ከምዚ ዝበለ ክተሰምዕ ፅቡቕ ነገር እዩ።\" ሲሳይ ሳህሉ ኤዲተር ናይ ውልቂ ጋዜጣ ዘ ረፖርተር እዩ።ናይ ውልቂ ሚድያ ካብ መንግስቲ ዘጋጥሞም ዕንቅፋት ብዝምልከት ከምዚ ይብል።\"ናተይ ተመኩሮን ኣብ መንግስታዊ ሚዲያ ዝሰርሑ ሰብ ሞያ መዘናታተይ ተመኩሮን ፈፂሙ ዝተፈለየ እዩ’’ይብል። \"ከም ሰራሕተኛ ናይ ውልቂ ሚዲያ ንዓይ ሓበሬታ ንምርካብ ከቢድ እዩ።ኣብ ሓደ ቀሊል ዜና ዓሰርተ ናይ ስልኪ ደወል ክረክብ እኽእል እየ’’ብምባል ወሲኹ ይዛረብ። ድሕሪ ዓሰርተ ናይ ስልኪ ምድዋል ናይ መንግስቲ ምንቅስቓሳት ብዝምልከት ንዕኡ ዘድልዮ ሓበሬታ ከምዘይረክብ ሲሳይ ይገልፅ። ኣብዚ ጉዳይ ጠሚቱ ርእይቶ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን። ብመሰረት ዳሕረዋይ ኣሃዛዊ መዐቀኒ ነፃነት ፕረስ ዓለም ኢትዮጵያ ኣብ 2021 ካብ ዝነበራ ደረጃ ብ13 ደረጃ ወሪዳ ኣብ መበል 114 ተሰሪዓ ትርከብ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%8A%93%E1%8C%BD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%88%B5\/6557141.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኦሮምያ ናይ ረድኤት መግቢ ብምጥፍፋእ ዝተጠርጠሩ 54 ሰብ-መዚ ክሲ ተመስሪትዎም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ንናይ ረድኤት መግቢ ብምጥፍፋእ ዝተጠርጠሩ 54 ሰብ-መዚ ተኸሲሶም። ናይቲ ክልል ኣመራርሓ ሰራሕ ኮሚሽን ሓደጋ ስግኣት ብሓድሽ አፀዋውዑኡ ቦሳ ጎኖፋ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብቲ ክልል ንተሓገዝቲ ክወሃብ ዝነበረ ረድኤት ኣብ ልዕሊ ዘጠፋፍኡ ሰበ-ስልጣናት ስጉምቲ ከምዝወሰደ ገሊፁ’ሎ። ናይ ክልል ኦሮምያ ምኽትል ሓላፊ ቦሳ ጎኖፋ ኣቶ ገረሙ ኦልቃ ዛጊት 54 ሰብ-መዚ ኣብ ቤት-ፍርዲ ክሲ ከምዝተመስረቶምን፡ ፖሊስን ዓቃቢ ሕግን ነቲ ጉዳይ የጻርይዎ ከምዘለውን ብመሰረት መርትዖን መርመራን ድማ ብይን ከም ዝወሃብ’ውን ገሊፆም። ኣብዚ እዋን ኣብቲ ክልል 2.5 ሚልዮን ሰባት ረድኤት ዝፅበዩ ምንባሮም'ውን ተሓቢሩ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%A8%E1%8B%B5%E1%8A%A4%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8C%A5%E1%8D%8D%E1%8D%8B%E1%8A%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%A0%E1%88%AD%E1%8C%A0%E1%88%A9-54-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%9A-%E1%8A%AD%E1%88%B2-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AA%E1%89%B5%E1%8B%8E%E1%88%9D\/6557017.html"} {"headline":"ምንፃል ሃይማኖታት ትግራይ፤ ድፍኢትን ብድሆታትን","content":"ንምፍንጫል ሃይማኖታት ክልል ትግራይ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ብዝምልከት፡ ኣብዚ ጉዳይ ከብርሁልና ንሊቀ-ካህናት ሙሴ በርሀ ካብ ካሊፎርኒያ -ኣመሪካን ፕሮፈሰር ጌታቸው ኣሰፋ ካብ ካናዳን ዓዲምና ኣሎና። ካብ ዝምልከቶም ሃይማኖታውያን ትካላት ኢትዮጵያ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪትና ግብረ-መልሲ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰለጠን። ቅድሚ ሕጂ ግን ቤት ምኽሪ እስላማዊ ጉዳያት ናይ ክልል ትግራይ ከም ዝተፈልዩ ድሕሪ ምእዋጆም “ሓንቲ ኢትዮጵያ፡ ትግራይ ድማ ኣካል ኢትዮጵያ ምዃኑ ኢና ንኣምን፡ ንኸምዚ ዝመስል ምፍንጫል ከኣ ኣፍልጦ ኣይንህቦን ኢና፡” ኢሎም ነይሮም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%8D%83%E1%88%8D-%E1%88%83%E1%8B%AD%E1%88%9B%E1%8A%96%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%B5%E1%8D%8D%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%B5%E1%88%86%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95\/6556646.html"} {"headline":"ኦፌኮን ኦነግን መንግስቲ ይፍጽሞ ኣሎ ዝበልዎ ማእሰርቲን ቅትለትን ደው ክብል ጸዊዖም","content":"ግንባር ነጻነት ኦሮሞን ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ይፍጽሞ ኣሎ ዝበልዎ ቅትለትን ማእሰርቲን ደው ንክብል ጸዊዖም። ብዘይካ'ዚ፣ መንግስቲ ጀሚርዎ ዝበልዎ ውግእ ደው ኣቢሉ ምስ’ቶም ዕጡቃት ክላዘብን፣ ነቲ ዘሎ ጸገም ፖለቲካዊ ፍታሕ ክረኽበሉ ሓቲቶም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊት ዝሃቦ ግብረ መልሲ የለን። ትማሊ ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳይ ርእይቶ ዝሃቡ ሚኒስትር ኮምኒኬሽን ኢትዮጵያ ዶ\/ር ለገሰ ቱሉ \"ኣብ ልዕሊ መደብራትን ከባቢታትን ኦነግ ሸኔ መንግስቲ ስጉምቲ ይወስድ ዘሎ፣ እዩ\" ኢሎም ነይሮም። ኦፌኮ ኣብ መግለጺኡ \"ንናይ ዜጋታት ድሕነት ናይ ምሕላው ግዴታ ምውጻእ ዘይምኽኣል ማለት፣ ናይ’ቲ ስርዓት ውድቀት መግለጺ እዩ\" ይብል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A6%E1%8D%8C%E1%8A%AE%E1%8A%95-%E1%8A%A6%E1%8A%90%E1%8C%8D%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8B%AD%E1%8D%8D%E1%8C%BD%E1%88%9E-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%8D%E1%8B%8E-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%89%85%E1%89%B5%E1%88%88%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%96%E1%88%9D-\/6555749.html"} {"headline":"ኣብ ልዕሊ ሓደ ቆልዓ ትግራይ ዝተፈጸመ ቅትለት መዘራረቢ ኮይኑ","content":"ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብሰፊሑ ክዝርጋሕ ዝቀነየ ሓደ ቪድዮ ናይ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክዳን ዝለበሱ ወትሃደራት፣ ንሓደ ትግራዋይ እዩ እናበሉ ዝገልጽዎ ቆልዓ እናጋፍዑን ተኹሶም እናቀተሉን ዘርእይ ክስተት የጻርዮ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቆመ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ትማሊ ሶኑይ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ዩኒፎርም ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝለበሱ ዕጡቃት፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ቆልዓ ንዝፈጸምዎ ግፍዒን ቅትለትን ኣብ ምጽራይ ከምዘሎ ሓቢሩ ኣሎ። እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ቪድዮ ነቲ ቆልዓ፣ ብዳርባ እምኒ እናቀጥቀጡ፣ እናጸረፉን እናሃረሙን ደም ብደም ከምዝገበርዎን፣ ኣብ መወዳትኡ ተኺሶም ከምዝቀተልዎን የርኢ። ኣብ ክዳውንቲ’ቶም ፈጸምቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝብል ኣርማን ጽሑፍን ይራኣይ። እንተኾነ ሮይተርስ ንመንነት’ቶም ገፋዕቲ ብደረጃ ውልቀ ከረጋግጽ ኣይካኣለን። ኮምሽነር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶ\/ር ዳንኤል በቀለ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ \"ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣዝዩ ኣጨናቒ ፍጻመ፣ መርተዖታት ንእክብ ኣለና\" ከምዝበሉ እቲ ዜና ይገልጽ። ሮይተርስ ካብ ሚንስትሪ ኮምኒኬሽን ኢትዮጵያ ዶ\/ር ለገሰ ቱሉን፣ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነን ግብረ መልሲ ንምርካብ ዝገበርኩዎ ፈተነታት ኣይሰለጠን ይብል ። ዝሓለፈ መጋቢት ሪፖርት ዘውጸአ እቲ ኮምሽን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተካየደ ውግእ ዝተሳተፉ ኩሎም ወገናት፣ መግሃስቲ ፈጺሞም እዮም ከምዝበለ ዝዝከር እዩ። ኣብ’ቲ ሎም ቅነ ዝተቀረጸ ቪድዮ እቶም ወትሃደራት፣ ነቲ ቆልዓ ካብ ዓብዪ ዓዲ ከምዝኾነ ይዛረቡ። ካልእ ድምጺ ድማ \"ነቲ ቆልዓ ኣይትቅተልዎ፣ ይሳቀ\" ምስ በለ፣ ወሲኹ \"ሕጂ ክዛረብ ኣይኽእልን፣ ካብኡ ተወሳኺ ሓበሬታ ክንረክብ ይግባኣና ነይሩ\" ይብል። ካልእ ወትሃደር ኣስዒቡ \"ብህይወቱ እንከሎ ክንቀብሮ ይግባኣና ነይሩ\" እናበለ ኣብ’ቲ ቪድዮ ተቀሪጹ ኣሎ። ካልእ ሰብኣይ እምኒ ኣልዕሉ ንሓንቲ ንእስቲ ቆልዓ ከቅብልን ኣብ ልዕሊ’ቲ ትግራዋይ ንክትድርብይን ከምዝገበረ፣ እቶም ገፋዕቲ፣ ናይ ባንኪ ቼክ ናብ ኣፍ’ቲ ብሰንኪ ሕሱም ማህረምቲ ኣብ ርእሱ ደምዩን ወዱቁን ዝነበረ ቆልዓ እናወተፍሉ ከለው ኣብ ቪድዮ ከምዝተቀረጸ ሪፖርት ሮይተርስ ይሕብር። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ እቲ ግፍዒን እቲ ቪድዮን መዓስን ኣበይን ከምዝተፈጸመን ከምዝተቀረጸን ከረጋግጽ ኣይከኣልኩን ይብል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%89%86%E1%88%8D%E1%8B%93-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%98-%E1%89%85%E1%89%B5%E1%88%88%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%A8%E1%89%A2-%E1%8A%AE%E1%8B%AD%E1%8A%91\/6555741.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ:- ሜጀር ጀነራል ገ\/መድህን ፍቓዱ ዓሪፎም","content":"ኣብ ማእሰርቲ ዝነበሩ ሜጀር ጀነራል ገ\/መድህን ፍቃዱ (ወዲ ነጮ) ትማሊ ሰኑይ ሃንደበት ከምዝዓረፉ ተገሊጹ። ፌደራል ቤት ማእሰርቲ ኢትዮጵያ ብመሰረት ንድምጺ ኣመሪካ ዝሃቦ መግለጺ ሜጀር ጀነራል ገ\/መድህን፣ ምስ በዓልቲ ቤቶምን ምስ ጓሎምን ኣብ ዝተራኸብሉ ሰዓት፣ ሃንደበት ድሕሪ ምውዳቆም፣ ናብ ሕክምና ምስተወሰዱ ከምዝዓረፉን ሓቢሩ። ምክትል ሚንስትር ፍትሒ ኣቶ ፈቃዱ ጸጋ ብወገኖም ሜጀር ጀነራል ገ\/መድህን ፈቃዱ፣ ከምዝዓረፉ ካብ ፌደራል ቤት ማእሰርቲ ከምዘረጋገጹ፣ ጠንቂ ሞት’ቶም ጀነራል ይምርመር ከምዘሎን ገሊጾም። ብምኽንያት ሞት ሜጀር ጀነራል ገ\/መድህን ኣመልኪቱ መግለጺ ዘውጸአ መንግስቲ ክልል ትግራይ \"ንስድራ ቤት’ቶም ጀነራል ምጽንናዕ ተመንዩ፣ ቀደሙ’ውን እንተኾነ እቶም ጀነራል ኣብ ዓይኒ ፌደራል መንግስቲ ዝኣተው፣ ብሰንኪ መንነቶም እዩ\":ድሕሪ ምባል ኩነታት ኣማውተኦም ግና ብነጻ ወገን ንክጻረይ ሓቲቱ’ሎ። ሓላፊ ክፍሊ ኤለክትሮኒክስን ሳይበርን ዝነበሩ ሜጀር ጀነራል ገ\/መድህን፣ 24 ጥቅምቲ 2013፣ ሚንስትሪ ምክልኻል ምስ እዚ ሰሜን ዝነበሮ ርክብ ሬድዮ ንክቋረጽን፣ መሳርሕ ርክብ ሬድዮ ንወትሃደራዊ መራሕቲ ህወሓት ኣሕሊፎም ሂቦም ዝብል ብዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ዝቐረበ ከቢድ ክሲ ክሕደት ሃገር ተኸሲሶም ኣብ መስርሕ ሙግት ቤት ፍርዲ ከምዝነበሩ እቲ ዜና ይሕብር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB---%E1%88%9C%E1%8C%80%E1%88%AD-%E1%8C%80%E1%8A%90%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%8C%88-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%85%E1%8A%95-%E1%8D%8D%E1%89%93%E1%8B%B1-%E1%8B%93%E1%88%AA%E1%8D%8E%E1%88%9D\/6555671.html"} {"headline":"ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ህዝባዊ አኼባ ካብ ምክያድ ተኸልኪልና ክብሉ ይኸስስ: አባላት ጸጥታ ግን ነዚ ይነጽጉ","content":"ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ህዝባዊ ኣኼባ ካብ ምግባር ተኸልኪልና ኢሎም ይኸሱ። ኣባላት ጸጥታ ግን እቲ ተመዲቡ ዝነበረ ኣኼባ ግቡእ መስርሕ ከም ዘየማልአ ይምጕቱ። ንኽልተ ኣካላት ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣዘራሪብና ኣለና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B3%E1%88%8D%E1%88%B3%E1%8B%AD-%E1%8B%88%E1%8B%AB%E1%8A%90-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%8A%A0%E1%8A%BC%E1%89%A3-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8B%AB%E1%8B%B5-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%88%8D%E1%8A%AA%E1%88%8D%E1%8A%93-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8B%AD%E1%8A%B8%E1%88%B1-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%8C%8D%E1%8A%95-%E1%8A%90%E1%8B%9A-%E1%8B%AD%E1%8A%90%E1%8C%BD%E1%8C%89\/6555652.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ኣተሓባባሪት ጉዳያት ኣፍሪቃ ኣብ ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት ኣንጀላ ኵይነትል","content":"ሎሚ ተዘኪሩ ዝወዓለ መዓልቲ ናጻ ፕረስ ምኽንያት ብምግባር፡ ንኣተሓባባሪት ጉዳያት ኣፍሪቃ ኣብ ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት (CPJ) ዝዀነ ኣንጀላ ኵይነትል፡ ክፍሊ ኣምሓርኛ ኣዘራሪብዋ'ሎ። ትርጉም ካብቲ ቃለ-ምልልስ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A3%E1%89%A3%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B0-%E1%8A%95%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%8C%80%E1%88%8B-%E1%8A%B5%E1%8B%AD%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%88%8D-\/6555573.html"} {"headline":"ንቆልዑ ኣብ ዓውዲታት ትምህርቲ ሳይንስ:ቴክኖሎጂን ምህንድስናን ክነጥፉ ዝሕግዝ ማሕበራዊ ትካል-ኣምበሳ ፕለይ","content":"ኣምበሳ ፕሌይ(Ambesa Play) ካብ 3 ክሳብ 13 ዓመት ንዝዕድሚኦም ኣብ መላእ ዓለም ንዘለው ቆልዑ ኣብ ዓውድታት ትምህርቲ ሳይንስ:ቴክኖሎጂ:ቁጽሪን ምህድስና ስልጠና ዝህብን ንቆልዑ ትምህርቲ እንዳሃበ ዘዛንይ መጻወቲ ዘዳልው ትካል’ዩ። መስራቲት’ዚ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ማሕበራዊ ትካል Social Enterprise ኣምበሳ ፕላይ ሳራ በራኺ ኣዘራሪብናያ ኣለና። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%89%86%E1%88%8D%E1%8B%91-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%8B%8D%E1%8B%B2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%B3%E1%8B%AD%E1%8A%95%E1%88%B5-%E1%89%B4%E1%8A%AD%E1%8A%96%E1%88%8E%E1%8C%82%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%8A%95%E1%8B%B5%E1%88%B5%E1%8A%93%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%8A%90%E1%8C%A5%E1%8D%89-%E1%8B%9D%E1%88%95%E1%8C%8D%E1%8B%9D-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A0%E1%88%B3-%E1%8D%95%E1%88%88%E1%8B%AD\/6555114.html"} {"headline":"ዓዲ-እንግሊዝ፤ ሕቶ ዑቝባኦም ዝተነጽገ ንሩዋንዳ?","content":" ዓዲ-እንግሊዝ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ዝተነጽጉ ዜጋታት ካልእ ሃገር፡ ናብ ሩዋንዳ ብምስዳድ ኣብኡ ከተዕቁቦምን ኣብኡ እናተጸበዩ ጉዳዮም ክከታተሉን መዲባ ኣላ። ንተኽእሎታት እዚ ንድፊ፡ እቲ መደብ ኣብ ተግባር እንተ ውዒሉ ክጽለዉ ዝኽእሉ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ከምኡ’ውን ካልእ ምስኡ ዝተኣሳሰር ጉዳያትን ከብርሃልና ካብ ዩኒቨርስቲ ግላስኮ ስኮትላንድ ዶክተር ህያብ ተኽለሃይማኖት ዮሃንስ ኣዘራሪብናዮ ኣሎና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%8B%B2-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%8A%E1%8B%9D-%E1%88%95%E1%89%B6-%E1%8B%91%E1%89%9D%E1%89%A3%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%90%E1%8C%BD%E1%8C%88-%E1%8A%95%E1%88%A9%E1%8B%8B%E1%8A%95%E1%8B%B3-\/6554103.html"} {"headline":"ምህዞ ንምቅላል ጸገማት ሕብረተሰብ ንምውዓል","content":"ኣስመራ — ዕላል ምስ ንሓያሎ ምሩቓት ኮምፒዩተር ሳይንስ ብቐጥታ ምስ ሕብረተሰብ ዝተኣሳሰር ፕሮጀክታት ክሰርሑ ዓቢ ኣበርኽቶ ምስ ዝገብር ዘሎ ኣብ ኮለጅ ምህንድስናን ሳይንስን ማይ-ነፍሒ ተሓጋጋዚ ፕሮፈሰር ኣብቲ ኮለጅ ዝርከብ ማእከል ምርምርን ምህዞን ድማ ዳይረክተር ዝኾነ ዶ\/ር የማነ ቀለታ ። ብርሃነ በርሀ ጥለብ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%88%85%E1%8B%9E-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%85%E1%88%8B%E1%88%8D-%E1%8C%B8%E1%8C%88%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%8B%93%E1%88%8D\/6554087.html"} {"headline":"ምስሓብ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልል ዓፋር የተሓታትት","content":"ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፡ ነቲ ካብ ክልል ዓፋር መሊእና ወጺእና ኢና ዝብል ስምዕታ ዕጡቓት ትግራይ፡ ሓቂ ኣይኮነን ይብልዎ`ለዉ። ወሃቢ-ቓል ህወሓት ኣብዚ ሰሙን`ዚ ክዛረብ ከሎ፡ ፈደራል መንግስቲ ናብ ክልል ትግራይ እቲ ዝድለ ሰብኣዊ ረድኤት ንኽበጽሕ መታን ክኽእል፡ ተዋጋእቶም ካብ ክልል ዓፋር ከምዘውጽኡ ኣፍሊጡ ኔሩ። ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ \"ሓይልታት ህወሓት ካብ ውሑዳት ከባብታት ማለት ካብ ኤርቢቲ በርሓለ ከምኡ'ውን ከተማ ኣብዓላ እዮም ወጺኦም`ምበር ኣብ ከባቢ ከተማ ኣብዓላ ገና ስለዘለዉ ነቲ መተሓላለፊ መስመር ረድኤት ዕንቅፋት ኮይኖም ኣለዉ፡\" ኢሉ ኔሩ፡ ኣብ ካልእ ከባብታት ኣምሓራን ዓፋርን`ውን ገና ኣለዉ ክብል ሓቢሩ'ሎ። ወሃቢ ቓል ህወሓት ዮሃንስ ኣብርሃም፡ ሓይልታቶም ካብ ክልል ዓፋር ምውጽኦም ብዝምልከት ንድምጺ ኣመሪካ ከምዚ ክብል ተዛሪቡ ኔሩ፡“እቲ ምስሓብ ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝወጸ መደብ በብደረጅኡ ተፈጺሙ`ዩ። ከምቲ ኩሉ ግዜ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝብሎ ዘይኮነስ፡ ወይ ናቱ መሻርኽቲ ክልላት ዝብልዎ ዘይኮነስ፡ ኣብዛ ሰዓት`ዚኣ ዝኾኑ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዓፋር የለዉን። ሰብኣዊ ረድኤት ንምሃብ ቅድመ-ኩነት ዘድልዮ`ኳ እንተዘይኮነ፡ ሓይልታትና ኣብኡ ስለዘየለዉ ረድኤት ንዘይምሕላፍ ምኽንያት ክኸውን የበሉን።\" ዊልያም ደቪድሰን ተንታኒ`ቲ ኣብ ብራስልስ ዝበደበሩ ኣህጉራዊ ጉጅለ ቅልውላው`ዩ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ህወሓት ካብ ከባብታት ክልል ዓፋር ምውጻእ ተወሳኺ ረድኤት ናብ ትግራይ ንምእታው ከምዘኽእል ኣመልኪቱ ኔሩ`ዩ ይብል። “መንግስቲ ባዕላዊ ምቁራጽ ተኹሲ ድሕሪ ምግባሩ በቐጻሊ ክብሎ ዝጸንሐ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ከባብታት ዓፋርን ኣምሓራን እንተወጺኦም ፡ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዝውስኽ`ዩ። ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ዘጨንቕ`ዩ። ስለዚ እቲ ሓዲሽ ምዕባለ፡ ናብ ዘይ-ድሩት ተበጻሕነት ሰብኣዊ ረድኤት ከምርሕ ዝኽእል እንተኾይኑ ክንርኢ ኢና።\" ኢትዮጵያዊ ተንታኒ ኪራም ታደሰ ብወገኑ፡ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ረድኤት ናብ ትግራይ ክሓልፍ እንተፍቀደ`ውን፡ ቅድሚ ሎሚ ከምዝተራእየ ሓይልታት ዓፋርን ኣምሓራን ክዓግትዎ ይኽእሉ`ዮም ይብል። ኪራም ታደሰ ኣስዒቡ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ዘሎ ሰብኣዊ ጠለባት`ውን ከቢድ ምዃኑ ይገልጽ። “ካብ ሓይልታት ክልል ዓፋር ዝመጽእ ፖለቲካዊ ብድሆታት`ውን ኣነኣኢስካ ዝርኣይ ኣይኮነን። ከምቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ፡ ኣብ ኣምሓራን ዓፋርን `ውን ብዙሓት ሰባት ኣብ ስእነት መግቢ`ዮም ዘለዉ። ስለዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ህጹጽነት መግቢ ከምዘለዎ ኮይኑ፡ ነዚ ኩሉ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ዕንቅፋታት ከወግድ ዝኽእል ኣገባባት ክመጽእ ኣለዎ።\" ብመሰረት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ኣምሓራን ዓፋርን ብድምር፡ 9.4 ሚልየን ህዝቢ ሰብኣዊ ረድኤት ዝጽበ ዘሎ`ዩ። ሕቡራት ሃገራት ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ግን ኣዝዩ ዘሻቕል ምዃኑ ይገልጽ ፡ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ከተማ ሓይቅ ሰሜን ወሎ ሰባት ቆጽለ-መጽሊ ሱራትን ዕንባባታትን ክበልዑ ከምዝጀመሩ ይገልጽ። ስለዚ ኣይንላዕሊ ኣይንታሕቲ ጸገም ድማ ገና ቀጺሉ ይርከብ ይብል። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%93%E1%89%A5-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD-%E1%8B%A8%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%89%B5\/6554063.html"} {"headline":"ኣዲስ ኣበባ: ብሰንኪ ዝተፈጥረ ዕግርግር ስነ ስርዓት ስግደት ዒድ ኣልፈጥር ተሰናኺሉ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ስነስርዓት ስግደት በዓል ዒድ ኣልፈጥር በሰንኪ ዝተፈጥረ ዕግርግር ተሰናኺሉ።ምኽኒያት ናይቲ ረብሻ ፖሊስ ተባሪቑ ተተኵሱ ዝበሎ ዘንብዕ ጋዝ ምዃኑ ናይ ኣዲስ ኣበባ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኣፍሊጡ። ፕረዚደንት'ቲ ቤት ምኽሪ ሱልጣን ሓጂ ኣማን ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ካብ ፖሊስን ወለንተኛታት ኣተሓባበርትን ብዝረኸቡዎ ሓበሬታ ርእይትኦም ንድምጺ ኣመሪካ ሂቦም ኣለው።ብሰንኪ እቲ ዕግርግር ዝጠፍአ ህይወት ሰብ ከምዘየለ እውን ገሊፆም። ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ፌስቡክ ገፁ ኣብ ዘውፅኦ መግልፂ ድማ ነቲ ረብሻ ዘልዓሉ ሒደት ውልቀሰባት ምዃኖምን በዚ ምኽኒያት ድማ ኣብ ልዕሊ ንብረት ጉድኣት ከምዝወረደ ሓቢሩ።ኣብቲ ዕግርግር ተሳቲፎም ዝተባህሉ ዝተኣሰሩ ከምዘለው እውን ተፈሊጡ ኣሎ። በቲ ዕግርግር ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ ካብ ዝወረደ ንእሽተይ ጉድኣት ወፃኢ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ መንግስቲ ዝገለፀ ክኸውን ከሎ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኣዲስ ኣበባ እውን መረዳእታ ከምዘይበፅሖ ኣፍሊጡ። ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝተፈጥረ ፀገም ወፃኢ ኣብ ዝተረፉ ከባቢታት እታ ሃገር እቲ በዓል ብድምቀት ተኸቢሩ ኣሎ ዝበለ ኣገልግሎት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ‘’ፅንፈኛታት’’ ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ኣካላት ዝውሰድ ስጉምቲ ሓይሉ ከምዝቕፅል ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ'ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%A8-%E1%8B%95%E1%8C%8D%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%88%AD-%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%88%B5%E1%8C%8D%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8B%92%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%AD-%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%8A%93%E1%8A%BA%E1%88%89-\/6553879.html"} {"headline":"ዒድ-ኣልፈጥር ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተኸቢሩ ውዒሉ","content":"ምዝዛም ወርሒ ጾም ሮሞዳን ዘበስር ዒድ-ኣልፈጥር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኽብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ከምዝተኸብረ ወኪላት ድምጺ ኣመሪካ ከካብቦትኦም ኣፍሊጦም። ኣብ ኣስመራ፡ መምርሒታት ኮቪድ19 ኣብ ዝዘለቐሉ፡ ኣብ ኣደባባይ ባሕቲ መስከረም ክኽበር እንከሎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ መቐለ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣብ ጎደናታት እንተዘይተኸበረ፡ ሎሚ ግን ኣብ ኣደባባይ ከም ዝተኽብረ ወኪላት ድምጺ ኣመሪካ ኣመልኪቶም። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡መበል 1443 በዓል ዒድ ኣልፈጥር ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ብሰላም ተኸቢሩ።ኣብ ጎንደር ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ እስልምና ተፈፂሙ ንዝተባህለ መጥቓዕቲ ብምቅዋም ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ድሬዳዋ ተፈጢሩ ዝነበረ ግጭት ንማሕበረሰብ ኣመንቲ እስልምና ኣይውክልን ተባሂሉ።ናይታ ከተማ ወለንተኛታት ካብ ስግደት ንዝተመለሱ ምእመናን ማይን መግቢን ዘዳልው ክኾኑ ከለው ለይቲ ዝሰርሑ ኣባላት ማሕበር ዘወርቲ ታክሲ እውን ነፃ ኣገልግሎት መጎዓዚያ ምሃቦም ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ከተማ ድሬዳዋ ሓቢሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%92%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%89%A2%E1%88%A9-%E1%8B%8D%E1%8B%92%E1%88%89\/6553937.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ኣብ ወረዳ ደራሼ ኣመሓዳሪ'ቲ ወረዳ ዝርከቦም 3 ሰባት ብዕጡቓት ምቕታሎም ኮሚሽን ፖሊስ ሓቢሩ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ኣመሓዳሪ ፍሉይ ወረዳ ደራሼ ሓዊሱ ሰለስተ ሰባት ኣብቲ ወረዳ ብዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ከምዝተቐትሉ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ደቡብ ኣፍሊጡ። ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ደቡብ ኣለማየሁ ማሞ ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ኣቶ ቻበርና ኣስፋው፣ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሃብቲ ልምዓት ዓሳን እንስሳትን ዶክተር ታደለ ታሪኩን ምስኦም ዝነበሩ ሓደ ገባርን ብዕጡቓት ምቕታሎም ሓቢሮም። ሓይልታት ፀጥታ እቲ ፀገም ንምፍታሕ ኣብቲ ከባቢ ምእታዎምን ዝተዓፀወ ዓብይ ጎደና ናይ ምኽፋት ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎን ሓቢሮም። እቶም ኮሚሽነር ወሲኾም ቁፅሮም ዘይተገልጸ ኣባላት ፖሊስ ክልልን ፌደራልን እውን ከምዝሞቱ ሓቢሮም። ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ኣብ ኮንሶን ወረዳ ደራሼን ብዝተላዕለ ግጭት ብርክት ዝበሉ ሰላማዊያን ሰባት ከምዝተቐትሉን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ካብ መነባብርኦም ምምዝባሎምን ድምጺ ኣመሪካ ምፅብፃቡ ይዝከር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B3-%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%BC-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%B3%E1%88%AA-%E1%89%B2-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B3-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A6%E1%88%9D-3-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%B3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6553956.html"} {"headline":"ኣብ ምዕቃብ ቅርስታት ዝነጥፍ ግዱስ ኤርትራዊ","content":"ፍጹም ገብረስላሰ ኣብ ሞያ ስርሓት ቬትሮ ዝነጥፍ ውልቀሰብ ኮይኑ ኣብ ምዕቃብ ብዘለዎ ፍሉይ ተገዳስነት ኣዝዮም ብርክት ዝበሉ ነገራት ብውልቁ ዓቂቡ ዝርከብ ግዱስ’ዩ። እቶም ብግቡእ ተዓቂቦም ዘለዉ ካብ እዋን መግዛእቲ ጥልያን ጀሚሮም ኣብ ኤርትራ ዝተኣታተዉ ነገራት ዘጠቓለሉ’ዮም። ንሎሚ ነቶም ኣብ ኩርናዕ ሙዚቃን ፊልምን ተዓቂቦም ዝርከቡ ናይ ሙዚቃን ፊልምን ስርሓትን መጻውቲታትን ኣመልኪቱ ኣቶ ፍጹም ዝሃበና መብርሂ ንመደብ ቂሐ ጽልሚ ኣቕሪብናዮ ኣለና። ኣቶ ፍጹም ንትሕዝቶ ዕቁብ ናይ ሙዚቃ መጻወቲታትን ስርሓትን ብምግላጽ ይጅምር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%89%83%E1%89%A5-%E1%89%85%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%8C%A5%E1%8D%8D-%E1%8C%8D%E1%8B%B1%E1%88%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-\/6551064.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ:ኣብ ክልል ደቡብ 5 ኣብያተ ክርስትያን ምቕጻሎም ሃገረ ስብከት'ቲ ከባቢ ገሊጹ","content":"ኣብ ደቡብ ክልል ኣብ ከተማታት ወረበአን ወረዳ ሳንኩራን ትማልን ሎሚ ሓሙሽተ ኣብያተ ክርስቲያን ከምዝተቓፀሉን ኣብ ልዕሊ ካህናት ናይተን ኣብያተ ክርስቲያን ጉድኣት ከምዘጋጠመን ናይ ዞባታት ሃዲያን ስልጤን ሃገረ ስብከት ዋና ኣካያዲ ስራሕ መላከ ህይወት ቀሲሲ ንጉሴ ባወቀ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም። ነቲ መጥቓዕቲ ደው ንምባል ፈቲኖም ካብ ዝተባሃሉ'ውን ሰለስተ ተማሃሮ ከምዝተቐትሉን ቁፅሮም ዘይፍለጥ ሰባት ጉድኣት ወሪዱዎም ኣብ ሆስፒታል ከምዝኣተውን ገሊፆም ኣለው። ምኽትል ፕረዚደንት ኣካዳሚያዊ ጉዳያት ወራቤት ዩኒቨርስቲ ዶክተር መሓመድ ኣወል በቲ መጥቓዕቲ ዝሞተ ሓደ ተማሃራይ እዩ ንሱ እውን ንምርመራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምልኣኹ እፈልጥ እየ ኢሎም። ክልላዊ መንግስቲ ደቡብ ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ብሽፋን ሃይማኖት ንዝተፈፀመ ናይ ኣብያተ ክርስቲያን ምቅፃል ከምዘይዕገሶ ሓቢሩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AB%E1%89%B0-%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%88%85%E1%8A%93%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%8C%BB%E1%88%99-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%A8-%E1%88%B5%E1%89%A5%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6550758.html"} {"headline":"ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣብ ጎንደር ምስ ዘጋጠመ ጎንጺ ብዝተሓሓዝ 370 ጥርጡራት ኣብ ቐይዲ ምእታዉ ሓቢሩ","content":"ኣብ ጎንደር ኣብ እዋን ስነ ስርዓት ቀብርን ምስይ ክብል ካብ ዝስትውዓል ናይ ስግኣት ድባብን ወፃኢ ምንቅስቓሳት ናብ ስሩዕ ሰላማዊ ኩነታት ይምለስ ከምዘሎ ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ገለ ነበርቲ ጎንደር ሓቢሮም። ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ጎንደር ምስ ዘጋጠመ ብዝተሓሓዝ ዝተጠርጠሩ ዝበሎም 370 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ከምዘውዓለ ኣፍሊጡ። ሎሚ መግለፂ ዝሃቡ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶክተር ለገሰ ቱሉ እውን እቲ ስጉምቲ ሓይሉ ክቕፅል እዩ ኢሎም። ምኽትል ፕረዚደንት ጠቕላሊ ጉዳያት እስልምና ክልል ኣምሓራ ሸኽ ሰይድ መሓመድ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ጎንደር ብዝተፈጥረ ግጭት 20 ኣመንቲ እስልምና ቐቲሎም ክብሉ ሓቢሮም ምንባሮም ይዝከር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%88%88%E1%8D%88-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8C%BA-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%93%E1%8B%9D-370-%E1%8C%A5%E1%88%AD%E1%8C%A1%E1%88%AB%E1%89%B5%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%90%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%89-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9-\/6550785.html"} {"headline":"ዋና ዳይሬክተር ህጻናት ኣድሕን ሕ\/ሃ ኣብ ክልል ሶማል ኢትዮጵያ በጺሓን","content":"ዋና ዳይሬክተር ትካል ህጻናት ኣድሕን ሕቡራት ሃገራት(UNICEF) ካትሪን ራሰልስ ብደርቂ ናብ ዝተጠቕዐ ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ብምብፃሕ ህይወት ሚሊዮናት ቆልዑ ንምድሓን ብዘይ ውዓል ሕደር ቕልጡፍ ናይ ሓገዝ ግብረ መልሲ ክወሃብ ፀዊዐን። ንሰን ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ዑደት ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ድሕሪ ምክያደን ብሰንኪ ዘጋጠመ ደርቂ ሰብኣዊ ህልቂት ንምውጋድ ማሕበረሰብ ዓለም ሓገዙ ከሐይል ኣተሓሳሲበን። \"ፅልዋ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ደርቂ ኣዕናዊ እዩ’’ ዝበላ ሚስ ራሰል \"ኣብታ ሃገር ብደርቂ ኣዚዮም ካብ ዝተጠቕዑ ሓደ ክልል ሶማሌ ዝነበሮም ኩሉ ዝሰኣኑ ቆልዑትን ስድራቤትን ረኺበ።እንሰሳታቶም ሞይተን ኣታዊ እውን የብሎምን።ንቆልዑ ዘብልዑዎም ስለዘይብሎም መግብን ማይን ንምርካብ ይጉዓዙ ኣለው።ከይደንጎና ነዞም ስድራቤታት እዚኦም ክንበፅሐሎም ኣለና’’ኢለን። እተን ዋና ዳይረክተር ምስ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴን ምኽትል ቀዳማን ሚንስትርን ሚንስትርን ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮነን ሓዊሱ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ምርኻበን ተፈሊጡ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8B%B3%E1%8B%AD%E1%88%AC%E1%8A%AD%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%88%85%E1%8C%BB%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%8A%95-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A0%E1%8C%BA%E1%88%93%E1%8A%95\/6550816.html"} {"headline":"ኣመሪካ ሕማም ዓሶ ንምጥፋእ ናይ 9.5 ሚሊዮን ዶላር ሓድሽ ፕሮግራም ኣብ ኣዳማ ጀሚራ","content":"ኣመሪካ ሕማም ዓሶ ንምጥፋእ ናይ 9.5 ሚሊዮን ዶላር ሓድሽ ፕሮግራም ኣብ ከተማ ኣዳማ ጀሚራ።እቲ ፕሮግራም ምስ ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ዓሶ ክሳብ 2030 ንምጥፋእ ዝሰርሕ እዩ። እቲ ተበግሶ ኣዳማ ኣብ ዝርከብ መሰልጠኒ ማእኸል ዓሶ ኣብ ዝጀመረሉ ኣብ ኢትዮጵያ ዳይረክተር ትካል ሓገዝ ስግር ባሕሪ ኣመሪካ (ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ) ሽያን ጆንስ: ምክትል ሚንስትር ጥዕና ዶክተር ደረጀ ዱጉማ፣ምኽትል ሚንስትር ፋይናንስን ቁጠባዊ ምትሕብባርን ሰመረታ ሰዋስውን ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ኦሮሚያ ዶክተር መንግስቱ በቀለን ተረኺቦም ኔሮም። ኣመሪካ ካብ 2007 ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ዓሶ ንምቁፅጻር ዝውዕል ልዕሊ 480.5 ሚሊዮን ዶላር ኣፍሲሳ ኣላ።ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ሕማም ዓሶ ብፍርቂ: ሞት ድማ ብኣስታት 90% ምጉዳሉን ዝወጸ መግለጺ ይሕብር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%88%95%E1%88%9B%E1%88%9D-%E1%8B%93%E1%88%B6-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8C%A5%E1%8D%8B%E1%8A%A5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-9-5-%E1%88%9A%E1%88%8A%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8B%B6%E1%88%8B%E1%88%AD-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%B3%E1%88%9B-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%AB\/6550873.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምቁራጽ ተኹሲ 146 ረድኤት ዝጸዓና መካይን ናብ ክልል ትግራይ ምእታወን ይሕብር","content":"ድሕሪ ውሳነ ቶኽሲ ጠጠው ምባል 146 ሰብኣዊ ረድኤት ዝፀዓና መካይን ናብ ክልል ትግራይ ምእታወን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።ይኹን እምበር መራሕቲ'ቲ ክልል ናብቲ ክልል ዝኣትው ሰብኣዊ ሓገዝ ኣዚዩ ዝተሓተ ምዃኑ ይሕብሩ። ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎሚ ኣብ ዝሃቡዎ ሰሙናዊ ጋዜጣዊ መግለፂ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ንክኣትው ምፍቃዱ ብምሕባር ብመንፅር እቲ ቀረብ ግን ሕፅረት ከምዘሎ ተዛሪቦም። ንቀረብ ረድኤት ምቹእ ሃዋህው ንምፍጣር ብዝብል ሓይልታት ትግራይ ካብ ዝሓዙዎም ቦታታት ክልል ዓፋር ምውጽኦም እንተገለፁ እውን ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ግን እዚ ሓሶት እዩ ኢሎም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%88%9D%E1%89%81%E1%88%AB%E1%8C%BD-%E1%89%B0%E1%8A%B9%E1%88%B2-146-%E1%88%A8%E1%8B%B5%E1%8A%A4%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8B%93%E1%8A%93-%E1%88%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%88%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%AD\/6550894.html"} {"headline":"ደገፍቲ ናጻ ፕረስ ሰበ-ስልጣን ኡጋንዳ ኣብ ልዕሊ ነቕፍቲ መሓውራት ዜና ንዝወስድዎ ስጉምቲ ይኹንኑ","content":"ደገፍቲ ናጻ ፕረስ፡ ሰበ-ስልጣን ኡጋንዳ፡ ንፕረዚደንት ዩወሪ ሙሰቪኒን ስድራቤቱን ኣብ ልዕሊ ዝነቕፉ መሓውራት ዜና ንዝወስድዎ ዘለዉ ስጉምቲ ይኹንኑ`ለዉ። ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ ሓይልታት ጸጥታ ኡጋንዳ፡ ንሓደ 'ዲጂቶክ ቲቪ' ዝተባህለ ትካል መራኸቢ ብዙሃን ብምውራር፡ ንሰራሕተኛታቱ ብናይ ሳይበር ምድሃልን ዘይእርኑብ ዝርርባትን ከሲሶሞም ኣለዉ። እንተ ተፈሪዶም ክሳብ ሽውዓተ ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ`ውን ክፍረዱ ይኽእሉ። ትሸዓተ ኣባላቱ ዝተኣሰርዎን ንብረቱ ዝተሃገሮን ዲጂቶክ ቲቪ ገና ካብቲ ዝወረዶ ስጉምቲ ሓይልታት ጸጥታ ኡጋንዳ ኣይሓወየን። ኣመሓዳሪ ዲጂቶክ ፋሪዳ ቢኮበረ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ከላ ማህረምቲ ከምዝወረዳ ትገልጽ፡፡“ነቲ ክተርእዮ ዘይትኽእል ኣካላትካ `ዮም ዘተኩሩ። እዚ ድማ ጽልልቲ እንተዘይኮይንኪ ክተግብርዮ ኣይትኽእልን ኢኺ። ናብ ቅድሚ ካመራ ቀሪበ ክዳነይ ኣውጺአ ንሰብ ከርኢ ኣይክእልን`የ። ኣብ ከብደይ ክሃርሙኒ ከለዉ፡ እቲ መድመይቲ ብውሽጢ`ዩ።\" ጸሓፍን መስራትን ዲጂቶክ ኖርማን ቱሙሁምቢስ ብወገኑ፡ ኣካላት ጸጥታ ኣብ ገጹ ውዑይ ኮበርታ ከምዝገበርሉ ይገልጽ። “ ኣንጻር ፕረዚደንት ዩወሪን ስድራቤቱን እናጸሓፍካ ስለምንታይ ንመንግስቲ ተዋርድ ኣለኻ\" ኢሎም ከም ዝሓተትዎ`ውን ይዛረብ። ሓይልታት ጸጥታ ኡጋንዳ፡ ንጋዜጠኛታት ኣየጋፋዕናን ወይ ኣየሳቐናን ዝብል ምላሽ ሂቦም ኣለዉ። እቶም ሰራሕተኛታት ዲጂቶክ ብዋሕስ ተፈቲሖም ኣለዉ፡ ክሳብ ሸውዓተ ዓመት ዘእስር ክሲ ግን ተመስሪትዎም ኣሎ። መርበብ ሰብኣዊ መሰል ጋዜጠኛታት ኡጋንዳ ከም ዝብሎ፡ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት፡ 131 መጥቃዕትታት ተፈጺሙ`ዩ፡ ብዙሓት ካብኦም ድማ ንተኣፋፊ ዝብሃል ጉዳያት ካብ ምሽፋን ንምፍርራሕ ዝዓለመ`ዩ፡ “ጋዜጠኛታት ንፖለቲካዊ ተቓውሞን ፖለቲካዊ ስግግር`ዛ ሃገርን ኣመልኪቶም ሽፋን ክህቡን፡ ንስድራቤት ፕረዚደንት ክነቕፉን ከለዉ፡ ኣብ ውሑስ ዘይኮነ ሃዋህው ኮይኖም`ዮም። ንኹሎም ሓደገኛ ስራሕ`ዩ ኮይኑ ዘሎ።\" ሚንስተር ዜና ኡጋንዳ ክሪስ ባሪዮሙንሲ፡ ብዛዕባ ፕረዚደንት ኮነ ስድራቤቱ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ስራሕ ምስራሕ ፡ ሓደገኛ`ዩ ንዝብል ክሲ ይነጽጎ፡፡ እንተኾነ ሕጋዊ ደረት ኣለዎ ክብል የጠንቅቕ። “ብፍላይ ነቲ ዲጂታል ሚድያ፡ ንሰባት ንምጽራፍን ንምውራድን ትጥቀመሉ እንተኾይንካ፡ ብርግጽ ኣንጻር ሕጊ ኡጋንዳ`ዩ። ስለዚ ኣብ ገለ ኣብነታት፡ ኣባላት ጸጥታ ስጉምቲ ክወስዱ ይኽእሉ`ዮም።\" በመሰረት ዝርዝር መዝገብ ናጻ ፕረስ 2021፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ጥራሕ፡ ኡጋንዳ፡ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ልዕሊ 700 ዝተመዝገበ ሰነዳት ምግሃሳት ከም ዝነበራ የመልክት። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B0%E1%8C%88%E1%8D%8D%E1%89%B2-%E1%8A%93%E1%8C%BB-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%8A%A1%E1%8C%8B%E1%8A%95%E1%8B%B3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8A%90%E1%89%95%E1%8D%8D%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%8D%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8B%9C%E1%8A%93-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%88%B5%E1%8B%B5%E1%8B%8E-%E1%88%B5%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%8B%AD%E1%8A%B9%E1%8A%95%E1%8A%91\/6550654.html"} {"headline":"ዕንወት ከባቢያዊ ሓለዋ ኣብ ትግራይ","content":"ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝመደብሩ ጉጅለ ኵናት ክልል ትግራይ ምብራስ ኣድዋር ይፈጥር ከምዘሎ ኣጠንቂቑ።ናብቲ ክልል ነዳዲን ረድኤትን ከይኣትው ዘሎ ዕፅዋ ነበርቲ ኣእዋም እናቖረፁ ድሮ ኣብ ሓደጋ ዓፀቦ ዝርከብ ክልል ናይ ዘሎ ሕፅረት ምግቢ የጋድዶ ኣሎ ኢሉ ሕቡራት መንግስታት። ትግራይ ንልዕሊ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ዕፅዋ ሰብኣዊ ረድኤት ትርከብ።ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን እቶም ተዋጋእቲ ትግራይን ናብቲ ብኵናት ዝተወቕዐ ክልል ረድኤት ብምኽልካል ነን ሕድ ሕዶም ይካሰሱ። ሕቡራት መንግሳትት ሓደ ካብቶም ዝኸፍኡ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ምስ ሕሱም ሕፅረት ምግቢ ኣብ ትግራይ ይኸውን ኣሎ ይብል።ተራ ተወለድቲ ትግራይ ንማዕልታዊ ናብራ ዝኸውን ፀጋታት ንምርካብ ኣዚዮም ይደልዩ። ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝመደብሩ ንትርፊ ዘይሰርሕ ጉጅለ ግጭትን ተኸታታሊ ከባቢያዊ ሓለዋን ኣብ ትግራይ ኵናትን ስእነት ረድኤትን ንተጋሩ ንዓሰርተታት ዓመታት ፀገም ክፈጥር ዝኽእል ኣብ ከባቢያዊ ሓለዋ ከቢድ ፅልዋ ይፈጥር ኣሎ ኢሉ። ካብ ትግራይ ዝተወሰዱናይ ሳተላይት ምስልታት ብምግምጋም እቲ ፀብፃብ ‘'ግጭት ዘስዓቦ ብርሰት ዱር’’ብዘተሓሳስብ ደረጃ ይፍጠር ኣሎ ክብል ገምጊሙ። ምግቢ ዘምርት ሓመድን ማይን ኣብ ምዕቃብ ኣእዋም ዓብዪ ታራ ኣለዎም።ትካላት ረድኤት ክፋላት ትግራይ ድሮ ዓፀቦ ገጢሙዎም ኣሎ። ነቲ ፀብፃብ ዝፀሓፈት ኣብ ናይ ለንደን ሕብረተሰብ ስነ እንስሳት ሳይንትስት ሄንሪክ ሹልት እያ።ንሳ ግጭት ዝፈጠሮ ብርሰት ኣእዋም ምምሕዳር ከባቢያዊ ሓለዋ ክፈርስ ከሎ ንኣብነት ኣብ ናይ ኵናት ከባቢ ሓለዋ ይግበረሎም ዝነበሩ ከባቢታት ስለዘይሕለው ሰባት ኣትዮም ተኽልታት ይቖርፁ ትብል።ብርሰት ኣእዋም ድልየት ናይ ወፃኢ ሃፍቲ ክውስኽ ከሎ እውን ይኽሰት ትብል ወሲኻ። ራፊኤል ኢዶው ኣብ ዋሽንግተ ናይ ዝመደብሩ ንትርፊ ዘይሰርሕ ጉጅለ ወኪል ምርመራ ከባቢያዊ ሓለዋ ናይ ኣፍሪካ ፕሮግራም ማናጀር እዩ።ንሱ ኣብ ኣፍሪካ ዝንቀሳቐሱ ዓመፅቲ ጉጅለታት መብዛሕቲኡ ግዜ ዕንፀይቲ ከም ፍልፍል ገንዘብ ይጥቀሙሎም ይብል። ግጭት ኣብ ዘለዎ ከባቢ ዝለዓለ ብርሰት ዱር ኣሎ ይብል ወሲኹ። ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ትግራይ ልምዓትን ቁጠባን ከምኡ እውን ውሕስነት ምግቢ ንምርግ ጋፅ ዕዉት ዝኾነ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀር ኣድዋር ተኻይዱ እዩ።እዚ ፃዕሪ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ ይብል እቲ ፀብፃብ። እንተኾነ ግን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓፂር ሻቖሎቱ ናይ ምንባር ጉዳይ እዩ። ሕቡራት መንግስታት ትግራይን ክፋላት ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ሓዊሱ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ትሽዓተ ነጥቢ ኣርባዕተ ሚሊዮን ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮም ይብል። ሹልተ ብርሰት ኣግራብ ጠጠው ንምባል እቲ ዝበለፀ መንገዲ ግጭት ጠጠው ንክብል ምግባር እዩ፤ከምዚ ኮይኑ ግን ኣብ ከባቢያዊ ሓለዋ ዝወረደ ጉድኣት ንምፅጋን ዓሰርተታት ዓመታት ክወስድ እዩ ትብል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%95%E1%8A%95%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%88%93%E1%88%88%E1%8B%8B-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/6549036.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ወረዳ ደራሼ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ሰባት ምሟቶምን አባይቲ ምንዳዱን ነበርቲ ገሊጾም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ዞባ ኮንሶ ኣብ ተዳወብቲ ከባቢታት ፍሉይ ወረዳ ደራሼ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎ ኣባይቲ ከምዝነደደን ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቀትሉን ካብቲ ቦታ ዝተመዛበሉን ነበርቲ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም። ንደሕንነቶም ብምስጋእ ኣስማቶም ከይግለጽ ዝሓተቱ ነበርቲ ከተማ ሰገን ዞባ ኮንሶ በቲ ጎንጺ ብዙሕ ጉድኣት ምግጣሙን፤ ሎሚ ተዛማዲ ሰላም ምህላዉ ግን ድምጺ ተኹሲ ከምዝስማዕ ተዛሪቦምእለዉ። ኮሚሽር ፖሊስ ክልል ደቡብ ኣለማየሁ ማሞ ብወገኖም ኣብቲ ዞባ ጎንጺ ከምዘለዉ ብምሕባር ነቲ ጉዳይ ኣጻርዮም ምስ ወድኡ መግለጺ ከምዝህቡ ገሊጾም፥ ብተወሳኺ ካብ ጂንካ ናብ ኣርባምንጭ ክጉዓዙ ዝተጨወዩ ዜጋታት ንምልቃቕ ዝተንቀሳቀሱ ኣባላት ጸጥታ ብዝተኸፍቶም ተኹሲ ዝተቐትሉን ዝቆሰሉን ኣለዉ ክብሉ ሓቢሮም​።​\\n​\\nፓርቲ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ) ብዛዕባእዚ ጎንጺ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ መንግስቲ ደሕንነት ህዝብን ሃገረን ምሕላዉ ቀዳማይ ተግባሩ ጌሩ ክሰርሕ ጸዊዑ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B3-%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%BC-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%A8-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8C%BA-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%8B%B3%E1%8B%B1%E1%8A%95-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/6549284.html"} {"headline":"ሚ\/ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ሓተትቲ ዑቕባ አባላት ዓቓብ ሰላም “ግዳያት ፕሮፓጋንዳ’ዮም”ኢሉ","content":"ኣብ ሱዳን ዑቕባ ዝሓተቱ ወተሃደራት ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ተወላዶ ትግራይ ግዳያት “ፕሮፓጋንዳ” ኢዮም ክብል ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ገሊጹ። ብመሰረት ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ፡ እቲ መግለጺ እቶም ወታሃደራት ግዳይን መሳርሒን ስኑዕ ዜና መራሕቲ ትግራይ’ዮም ክብል ወሲኹ ይሕብር። ኣስዒቡ እቲ መግለጺ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ “ገለ ካብቶም ወታሃደራት እንኮላይ ብህወሓት ከይእሰሩ ስግኣት ስለ ዘለዎም’ዮም ንኸይምለሱ ወሲኖም” ኢሉ። እቶም ኣብ ኣቢየ ዝተባህለ ናይ ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን ኣከራኻሪ ቦታ ዝርከቡ 528 ወታሃደራት፡ ብሰንኪ ስእነት ጸጥታ ንኢትዮጵያ ከም ዘይምለሱ ኣፍሊጦም ኢዮም። እቶም ኣባላት ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ኣቐዲሞም ናብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ’ውን ኣብ ዝለኣኹዎ ደብዳበ፡ ነቲ ኣብ ክባን ዕጽዋን ዘሎ ህዝቦም ድምጺ ንምዃንን መሳርሒ’ቲ ህዝቢ የጽንት ኣሎ ዝበሉዎ መንግስቲ ንዘይምዃንን ንሃገሮም ከም ዘይምለሱ ኣመልኪቶም ነይሮም። ንኢትዮጵያ ምስ ዝምለሱ ውሕስነት ከም ዘይብሎም’ውን ጠቒሶም ነይሮም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%89%B0%E1%89%B5%E1%89%B2-%E1%8B%91%E1%89%95%E1%89%A3-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8B%93%E1%89%93%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8C%8D%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8D%93%E1%8C%8B%E1%8A%95%E1%8B%B3-%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%88%89\/6548786.html"} {"headline":"ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሚ\/ጉ\/ወ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ኣብ ሞስኮ ተራኺቡ:ተመያይጡ","content":"ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭን ሎሚ ረቡዕ ሚያዝያ 27 ኣብ ከተማ ሞስኮ ተራኺቦም:ተመያይጦም።\\n\\nሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ: ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝተመርሐን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝተረኽብዎ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሞስኮ ርእሰ ከተማ ሩስያ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮም ኣብ ዘካየድዎ ርክብ: ክልቲኦም ወገናት ኣብ ፖለቲካዊ፤ ዲፕሎማስያዊ ፤ ንግድን ወፍርን ከምኡ'ውን ኣብ ጉዳያት ትምህርትን ምልውዋጥ ባህልን ኣመልኪቶም ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእን ከምዝበጽሑን ንምቅንዖም ድማ ጭቡጥ ስጉምቲ ክወስዱ ከምዝተሰማምዑ ገሊጹ። ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ዩክሬን ብዝምልከት ንመርገጺ ኤርትራ መብርሂ ከምዝሃበ ብተወሳኺ ተሓቢሩ። ኣብቲ ክልቲኦም ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ዝሃብዎ መግለጺ ድማ ልኡኽ ኤርትራ - ሩስያን ዩክሬንን ነቲ ግጭት ሓባራዊ መፍትሒ ከናድዩሉ ጸዊዑ። ንጉዳይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፍላይ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ድማ ብሓፈሻ ኣብ ዝምልከት ኣርእስቲ ድማ ክልቲኦም ወገናት ዘለዎም መረዳእታታቶም ገሊጾም። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ብወገኑ: ንግጭት ዩክሬን ኣብ ዝምልከት ኣመዓባብላ እቲ ግጭት ዕላምኡን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ንልኡኽ ኤርትራ መብርሂ ሂቡ።\\n\\nላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሩስያ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ብዕድመ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ምዃኑ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረ መስቀል ካብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8B%E1%8B%AD-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88-%E1%88%A9%E1%88%B5%E1%8B%AB-%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%8C%88%E1%8B%AD-%E1%88%8B%E1%89%AD%E1%88%AE%E1%89%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9E%E1%88%B5%E1%8A%AE-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A1-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%AB%E1%8B%AD%E1%8C%A1\/6547749.html"} {"headline":"መግቢ ሓበሻ ናብ ዝሰፍሐ ንምብጻሕ","content":"ዋሽንግተን — ወናኒትን መስራቲትን ጽዮና ፉድስ ዝዀነት ወ\/ሮ ጽዮን በለጠ፡ ፈለማ ዝነበራ ቤት መግቢ ብምስፋሕ፡ ሕጂ ናብ ዝበዝሐ ተጠቃሚ ንምብጻሕ ቀጻሊ ጻዕርታት ኣብ ምግባር ትርከብ። ድሮ ኣብ ፍሉጣት ባህርያዊ መግቢ ምስ ዘቕርቡ ትካላት ከም በዓል ሆል ፉድስ ስራሕ ጀሚራ ዘሎ ጽዮን፡ ንስራሓታ፡ በጺሓቶ ዘላ ደረጃን ካልእ ተዛመድቲ ኣርእስታትን ኣመልኪታ ኣዘራሪብናያ ኣለና። ምንያ ኣፈወርቂ ጥለብ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%88%93%E1%89%A0%E1%88%BB-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%B0%E1%8D%8D%E1%88%90-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95\/6547960.html"} {"headline":"ኣመሪካ ተወሳኺ 200 ሚልዮን ዶላር ብደርቂ ንዝተጠቕዓ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ለጊሳ","content":"መንግስቲ ኣመሪካ፣ ነቲ ብድርቂ ተጠቂዑ ዘሎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ልዕሊ 200 ሚልዮን ዶላር ተወሳኺ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዝለገሰ ኣፍሊጡ። እዚ ተለጊሱ ዘሎ ዳሕረዋይ መጠን ገንዘብ፣ ብሰንኪ ደርቂ ንዝወረደ ከቢድ ጥፍኣት ንምብዳህን፣ ንጠለብ ስደተኛታት፣ ተመዛበልቲን ብሰንኪ ውግእ ኣብ ጸገም ንዝርከቡን ንምሕጋዝ ዝውዕልን እዩ። ኣብ ውሽጢ’ዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፣ ኣመሪካ ነቲ ዞባ ዝሃበቶ መጠን ልግሲ ልዕሊ 361 ሚልዮን ዶላር ከምዝኾነ ወሃቢ ቃል ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ ገሊጹ። ንሱ ኣብ ዝ ሃቦ መግለጺ ካብ ህዝቢ ኣመሪካ ዝተዋሃበ ሓገዝ፣ ዓለምለኸ መሻርኽቲ፣ ኣብ’ቲ ዞባ ንዝልግስዎ ሰብኣዊ ሓገዝ መግቢ፣ ኣገልግሎት ጥዕና፣ ጽሩይ ዝስተ ማይን ናውቲ ጽሬትን ከምኡ'ውን መነባብሮ ንምምሕያሽ ሓጋዚ እዩ ይብል። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣዝዩ ከምዘተሓሳስባ ዝገለጸት ኣመሪካ፣ ህጹጽ፣ ሙሉእ፣ ውሑስን ዕንቕፋት ዘይብሉን ተበጻሕነት ትካላት ረድኤት ኣብ’ቲ ዞባ፣ ብሕልፊ ናብ’ቶም ኣብ ደርቂ ዘጥቀዖምን ግጭት ዝራኣየሎምን ከባቢታት ዘለው ሰላማዊያን ሰባት ኣገዳሲ ምዃኑ እቲ መግለጺ ይሕብር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B3%E1%8A%BA-200-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8B%B6%E1%88%8B%E1%88%AD-%E1%89%A5%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%A0%E1%89%95%E1%8B%93-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%88%AD%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%88%88%E1%8C%8A%E1%88%B3\/6547703.html"} {"headline":"'ኣብ ጎንደር ብዝተወልዐ ጎንጺ 20 ኣመንቲ እስልምና ተቐቲሎም'-ሮይተርስ","content":"ትማሊ ሰሉስ፡ ኣብ ከተማ ጎንደር፡ ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ሓደ ዜጋ ብዝተወልዐ ግጭት፡ 20 ኣመንቲ እስልምና ከም ዝተቐትሉ ንፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት-ምኽሪ እስልምና ክልል ኣምሓራ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ከም ሓበሬታ ፕረዚደንት እቲ ቤት ምኽሪ እስልምና'ቲ ክልል፡ እቲ ፍጻመ ቀባሮ ኣብ መገዲ እንከለዉ’ዩ ዕጡቓት ናብቲ እኩብ ህዝቢ ነታጒ ብምድርባይ ፈለማ ሰለስተ ሰባት ነታጒ ቀቲሎም፡ ሓሙሽተ’ውን ኣቝሲሎም። ድሕሪኡ ዝሰዓበ ሞት ብዝቐጸለ ተዅሲ ከም ዘጋጠመ እቲ ዜና የመልክት። ንድኳናት ንምዝራፍን መስጊድ ናይ ምቅጻል ፈተናታት’ውን ምንባሩ ፕረዚደንት እቲ ቤት ምኽሪ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣመልኪቱ። ሓንቲ ካብተን መሳጊድ’ውን መጠናዊ ጉድኣት ወሪዱዋ ምህላዉ ተሓቢሩ። ወሃብ-ቃል ክልል ኣምሓራ ግዛቸው ሙሉነህ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ መርመራ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ'ሎ። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ 15 ሰባት ብሰንኪ’ቲ ጎንጺ ናብ መወከሲ ሆስፒታል ጎንደር ከምዝተወስዱ: ክንደይ ካብኣቶም ብጥይት ወይ ካልእ መሳርሒ ምህራሞም ግን ዝተፈልጠ ነገር ከምዘየለ ሓቢሩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%8B%90-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8C%BA-20-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%B2-%E1%8A%A5%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%88%9D%E1%8A%93-%E1%89%B0%E1%89%90%E1%89%B2%E1%88%8E%E1%88%9D--%E1%88%AE%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%88%B5\/6547415.html"} {"headline":"ቃለ መሕትት ምስ ፕሮ.ክንድያ ገብረሂወት ኣብ ጉዳይ ምስሓብ ካብ ክልል ዓፋርን ካልኦትን","content":"ሰራዊት ትግራይ ካብ ክልል ዓፋር ምስሓቡ ገሊጹ ኣሎ። ብዛዕባ’ዚን ካልእ ተዛመድቲ ኣርእስቲን ንኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ወጻኢ ክልል ትግራይ ዝዀኑ ፕሮ. ክንዲያ ገ\/ህይወት ኣዘራሪብናዮም ኣለና። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%88%95%E1%89%B5%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8D%95%E1%88%AE-%E1%8A%AD%E1%8A%95%E1%8B%B5%E1%8B%AB-%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%82%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%93%E1%89%A5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A6%E1%89%B5%E1%8A%95\/6546184.html"} {"headline":"ካብ ክልላት ቤንሻንጉል ጉምዝን ኦሮምያን ዝተመዛበሉ ዜጋታት ንዝኸፍአ ጸገም ምቕልዖም ገሊጾም","content":"ካብ ክልላት ኦሮምያን ቤንሻንጉል ጉሙዝን ተመዛቢሎም ኣብ ፍኖተ ሰላም ዝጸንሑ፣ ሎሚ’ውን ንዝኸፍአ ጸገም ተቃሊዖም ከምዘለው ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም። እቶም ተፈናቀልቲ ሳኣን መዕቆቢ ስፍራ፣ ኣብ እንዳ ውልቀ ሰባት ተጸጊዖምን ኣብ ጎደና ይሓድሩን ከምዘለው፣ ብሕልፊ ማይ ኣብ ዝወቅዐሉ እዋን ምሒር ከምዝጽገሙ ጠቂሶም። ኮምሽነር ምክልኻል ሓደጋን ውሕስና መግቢን ክልል ኣምሓራ ኣቶ ዘላለም ልጃለም ብወገኖም ጸገም ከምዘሎ ኣሚኖም፣ እቶም ካብ ክልል ኦሮምያ ዝተፈናቀሉ ሰባት፣ ኣብ 13 ወረዳታት ክልል ኦሮምያ ንምስፋር፣ ምድላዋት ይግበሩ ከምዘለው ገሊጾም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%89%A4%E1%8A%95%E1%88%BB%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%8D-%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%95-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%8A%B8%E1%8D%8D%E1%8A%A0-%E1%8C%B8%E1%8C%88%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%88%8D%E1%8B%96%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/6546127.html"} {"headline":"ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልል ዓፋር ምውጽኦም ወሃቢ ቃል'ቲ ክልል ገሊጾም","content":"ሓይልታት ትግራይ፣ ካብ’ቲ ንኣዋርሕ ተቆጻጺሮምዎ ዝነበረ ከባቢታት ክልል ዓፋር ከምዝሳሓቡ ተገሊጹ። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንወሃብ-ቃል ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብምጥቃስ ከምዝሓበሮ ሰራዊት ትግራይ ካብ ክልል ዓፋር ምስሓቦም ጸብጺቡ። ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ዓፋር ኣሕመድ ሓሪፍ ብወገኑ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ከም ዝሓበሮ’ውን ሓይልታት ትግራይ፣ እንትርፊ ካብ ሰለስተ ወረዳታት፣ ካብ ካልእ ቦታታት እቲ ክልል ምልቃቖም ኣመልኪቱ ኣሎ። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ወሃብ-ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶ\/ር ለገሰ ቱሉ ንድምጺ ኣመሪካ \"ሓይልታት ትግራይ ካብ ዝተቖፃፀሩዎም ከባቢታት ዓፋር ኣይወፁን\" ኢሎም። ሓይልታት ህወሓት እናበሉ ንዝገለጽዎም ሓይልታት ትግራይ፣ \"ብዝተዛብዐ ሓበሬታ፣ ንቐልቢ ማሕበረሰብ ዓለም ንምርካብ ይፅዕሩ ኣለው\" ዝበሉ ዶክተር ለገሰ፣ ንህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ብዝግባእ ንክባጻሕ ናብ ክልል ዓፋር ዘሊቖም ዝኣተው ዕጡቓት ሓይልታት፣ ምሉእ ብምሉእ ካብቲ ከባቢ ንክወፁ ፀዊዕም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%8C%BD%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A2-%E1%89%83%E1%88%8D-%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/6546071.html"} {"headline":"74 ረድኤትን ነዳዲን ዝጸዓና መካይን መቐለ ምእታወን መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቢሩ","content":"ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ካብ ዋና ከተማ ዓፋር ሰመራ ዝተበገሳ 74 ረድኤትን ነዳዲን ዝፀዓና መካይን መቐለ ምእታወን ሚንስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ገሊፆም። ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ንዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኣብ ዝፀሓፉዎ ቅሉዕ ደብዳበ ፀገማት ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ ድልው ምዃኖም ብምግላፅ እዚ እተዘይኮይኑ ግን ካልኦት ኣማራፂታት ንምርኣይ ከምዝግደዱ ገሊጾምም ነይሮም። ዶክተር ለገሰ ቱሉ ብወገኖም ህወሓት ዘቕርቦ ክሲ ኵናት ንምቕፃል ካብዘለዎ ድልየት ዝብገስ እዩ ኢሎም ኣለው ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6544648.html"} {"headline":"ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዘጋጠመ ደርቂ 20 ሚልዮን ሰባት ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልይዎም'ሎ","content":"ብሰንኪ ኣብ ታሪኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኸፍአ ዝተባህለ ዘጋጠመ ደርቂ 20 ሚልዮን ሰባት ሓደጋ ጥምየትን ኣንጸላልይዎም’ሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ምስቲ ኣብ ሰሜን ዘሎ ኹናት ተደሚሩ ልዕሊ 7-ሚልዮን ሰባት ሕፅረት መግቢ ኣጋጢምዎም ይሳቀዩ’ለዉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%80%E1%88%AD%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%89%82-20-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B-%E1%8C%A5%E1%88%9D%E1%8B%A8%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%8C%B8%E1%88%8B%E1%88%8D%E1%8B%AD%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%88%8E\/6544313.html"} {"headline":"ኣከባብራ በዓል ትንሳኤ ተመዛበልቲ ክልል ትግራይ","content":"ብሰንኪ ኲናት ካብ በበይኑ ቦታታት ክልል ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ መቐለ ተዓቚቦም ንዘለዉን ካልኦት ነበርቲን ንኣከባብራ ትንሳኤ ብዝምልከት ኣዘራሪብና ኣለና። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%AB-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8A%95%E1%88%B3%E1%8A%A4-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/6544171.html"} {"headline":"ኣከባብራ በዓል ትንሳኤ ኣብ ኤርትራ፤ መምርሒታት ኮቪድ-19 ኣብ ዝዘለቐሉ","content":"ትማሊ ሰንበት 24 ሚያዝያ ኣብ ዝተኸብረ በዓል ትንሳኤ ምእመናን ክርስትና ንኹሉ ሃይማኖታዊ ስርዓተ ጾምን ጸሎትን ክሳተፍዎ ምኽኣሎም ከኣ ናይ ሎሚ ዓመት በዓል ትንሳኤ ፍሉይነት ከምዘለዎ መራሕቲ ሃይማኖት ክገልጹ ከለዉ፡ ነበርቲ ኣስመራ ብወገኖም ቀረብን ክብሪ ዋጋን ዕዳጋ ትንሳኤ፡ ዘይራኸብ ኰይኑ ከም ዝጸንሖም ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቦም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%AB-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8A%95%E1%88%B3%E1%8A%A4-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%98%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%92%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AE%E1%89%AA%E1%8B%B5-19-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8B%98%E1%88%88%E1%89%90%E1%88%89\/6544164.html"} {"headline":"ኢትዮጵያዊያን ዓቀብቲ ሰላም ተወላዶ ትግራይ ኣብ ሱዳን ዑቕባ ሓቲቶም","content":"ንድሕነቶም ከምዝሰግኡን ኣብ መንጎ ብሄራት ዘሎ ዓሚቝ ግጭታትን ብምጥቓስን ልዕሊ 500 ኢትዮጵያዊያን ተወለድቲ ትግራይ ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም ኣብ ሱዳን ዕቑባ ሓቲቶም። ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት ዝበዝሑ ካብ ኣብ መንጎ ኣሰሓሓቢ ዶብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝተዋፈሩ ኣስታት 4,000 ኣባላት ናይ ኣብየይ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ኢትዮጵያዊያን ወታሃደራት'ዮም ነይሮም። ይኹን ደኣ እምበር ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ካርቱምን ብምኽኒያት ዓብይ ግድብ ህዳሴን ዝተፈጥረ ምስሕሓብ እዞም ኢትዮጵያዊያን ኣባላት ዓቐብቲ ሰላም ብዜጋታት ካልኦት ሃገራት ክትክኡ ጀሚሮም። መብዛሕቲኦም ኢትዮጵያዊያን አባላት ናብ ሃገሮም ዝተመለሱ ክኾኑ ከለው ገለ ግን ዕቑባ ሓቲቶም ኣለው ክብል ወሃቢ ቃል ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓቃቢ ሰላም ካብ ኒውዮርክ ንኤ.ኤፍ.ፒ ገሊፁ። ብሕቡራት ሃገራት ውሑስ ኣብ ዝኾነ ቦታ ሓለዋ ይግበረሎም ከምዘሎ እውን እቲ ወሃቢ ቃል ሓቢሩ። እቲ ወሃቢ ቃል\"ሓላፍነት ምሃብ ዕቑባ ብድጋፍ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ወኪል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ሰበስልጣን ሱዳንን'ውን ኢሎም።ብመሰረት ንኤ.ኤፍ.ፒ ቃሎም ዝሃቡ ሓለቓ ሽሕ ገብረ ኪዳንን ካልኦት ክልተ ኣባላት ዓቀብቲ ሰላምን ብድምር 528 ኢትዮጵያዊያን ወታሃደራት ተወለድቲ ትግራይ ዕቑባ ሓቲቶም ኣለው ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB-%E1%8B%93%E1%89%90%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B6-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8B%91%E1%89%95%E1%89%A3-%E1%88%93%E1%89%B2%E1%89%B6%E1%88%9D\/6544276.html"} {"headline":"መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ሕሙማት ናብ ኣባይቶም ምስንባቱ ሮይተርስ ገሊጹ","content":"መወከሲ ወይ ድማ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር፡ ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ሕሙማን ኣብ ገዝኦም ክጸንሑ ምውሳኑ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ሰበ-መዚ'ቲ ሆስፒታል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 240 ሕሙማት ናብ ገዝኦም ምስንባቶም ገሊጾም ኣለው ። ሆስፒታል ዓይደር ዘጓነፎ ጸገም፣ ስለ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛት ተባሂሉ፣ ባዕላዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ዋላ’ውን እንተተወሰነ፣ ናብ’ቲ ክልል መጠን ዝኣቱ ረድኤት እኽሊ ክሳዕ ክንደይ ትሑት ከምዝኾነ ሓባሪ ኮይኑ ኣሎ። ስሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተ ሓደ በዓል ስልጣን’ቲ ሆስፒታል \"ናይ ገዛእ ባዕሎም መግቢ እናዓደጉ ክሕከሙ ዝመረጹ 360 ሕሙማት ኣብ’ቲ ሆስፒታል ሎሚ’ውን ይሕከሙ ኣለው\" ይብል። ገለ ካብ’ቶም ንገዝኦም ዝተሰደዱ ሕሙማት፣ ሕማም ኣንቅጺን ዓባይ ሳዓልን ዝሓዞም፣ ከምኡ'ውን ሓደ ኤችኣይቪ\/ኤይድስ ዘለዎ ወዲ 14 ዓመት መንእሰይ ይርከብዎም። ኣብ ክፍሊ ሕክምና ኣደታትን ቆልዑን ዝሰርሕ ነርስ ቴድሮስ ፍስሃዬ \"ሕሙማትን ኣለይቶምን፣ ጥምየት ስለዝኣተዎም ዝሓለፈ ሰሙን ንገዝኦም ክምለሱ ከምዝወሰኑ\" ጠቂሱ። ብድሕሪኡ፣ ቴድሮስ፣ ኣብ ክፍልታት እናዞረ \"ዝብላዕ መግቢ ስለዘየለ፣ ንገዛኹም ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም ከምዝበሎም\" ትካል ዜና ሮይተርስ ገሊጹ። ሓላፊ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ጨንፈር ቀርኒ ኣፍሪቃ ሚካኤል ዳንፈርድ ብወገኑ \"ምቁራጽ ተጻብኦ ካብ ዝትግበር ንደሓር፣ 71 መካይን ናብ ክልል ትግራይ ከምዝኣተዋን፣ ሳልሳይ ዙር ጽዕነት ዝሓዛ መካይን፣ ንክብገሳ ተቀሪበን ከምዘለዋ፣ ምስ ፌደራል መንግስቲ ኣጻፊፍና፣ ምስ ክልላት ንዘራረብ ኣለና\" ከምዝበለ ዜና ሮይተርስ ጠቂሱ። ብዛዕባ’ዚ ዜና’ዚ፣ ካብ ሚኒስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ\/ር ሊያ ታደሰን፣ ኮምሽን ሃገራዊ ምክልኻል ሓደጋ ኣቶ ምትኩ ካሳን፣ ግብረ መልሲ ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይሰለጠን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8B%88%E1%8A%A8%E1%88%B2-%E1%88%86%E1%88%B5%E1%8D%92%E1%89%B3%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8B%AD%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%88%95%E1%8C%BD%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%88%95%E1%88%99%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%89%B1-%E1%88%AE%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%88%B5-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6541068.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ፕሮፌሰር ዘርእሰናይ ኣለምሰገድ","content":"ፕሮፌሰር ዘርእሰናይ ኣለምሰገድ ኣባል ናይ ቫቲካን ጳጳሳዊ ሳይንስ ኣካዳሚ ክኾኑ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርሲቲያን ጳጳስ ፍራንሲስ ተመሪፆም።ተመራማሪ ኣመፃፅኣ ጥንታዊ ሰብ ዝኾኑ ፕሮፌሰር ዘርእሰናይ፡ ሰለስተ ነጥቢ ሰለስተ ሚልዮን ዓመታ ከም ዝገበረት ዝንገረላ “ሰላም” ብዝብል ስም እትፍለጥን ኣዕጽምቲ ቆልዓ ኣብ ዓፋር ናይ ዝረኸበ ጉጅለ መራሒ እዮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8D%8C%E1%88%B0%E1%88%AD-%E1%8B%98%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%B0%E1%8C%88%E1%8B%B5\/6541332.html"} {"headline":"ቤት ምኽሪ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ቅሉዕ ደብዳበ ንፕረ.ባይደን ጽሒፉ","content":"ቤት ምኽሪ ትካላት ስቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ንረቂቕ ሕግታት HR6600ን S 3199 ብምቅዋም ቅሉዕ ደብዳቤ ናብ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ጽሒፉ። 3,700 ትካላት ስቪል ማሕበረሰብ ከምዝሓቖፈ ዝገልፅ እቲ ቤት ምኽሪ ክልቲኦም ረቂቕ ሕግታት ኣመሪካ ምስ እትኽተሎ ናይ ወፃኢ ጉዳያት ፖሊስ ናይ ልምዓት፣ናጽነትን ዲሞክራሲንን ክብርታት ዝራፀሙ ምዃኖም እቲ ደብዳበ ይገልፅ ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%B2%E1%89%AA%E1%88%8D-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%85%E1%88%89%E1%8B%95-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%89%A0-%E1%8A%95%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%8B%B0%E1%8A%95-%E1%8C%BD%E1%88%92%E1%8D%89\/6541087.html"} {"headline":"'ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ጸገም ብሰላም ንምፍታሕ መንግስቲ ድልዉ'ዩ' ሚ\/ጉ\/ወጻኢ ኢትዮጵያ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ጸገም ብሰላም ንምፍታሕ መንግስቲ ድልዉ'ዩ ክብሉ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኣቶ ደመቀ መኮነን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮሚሽነር ጉዳያት ፖሎቲካ ሰላምን ጸጥታን ኣምባሳደር ባንኮሌ አዴኦዮ ንዘካየድዎ ልዝብ ኣብ ናይ ሎሚ ጋዜጣዊ መግለጺኦም ዝጠቀሱ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ክልቲኦም ኣካላት ኣብ ጉዳይ ሰላም ኢትዮጵያ ምዝርራቦም ገሊጾም'ለዉ። ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ደርቂን ግጭትን ብዝተሓሓዘ ልዕሊ 24 ሚልዮን ዜጋታት ሓገዝ ከም ዘድልዮም'ዉን ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺኦም ጠቂሶም: ኣቶ ደመቀ መኮነን ምስ ዓለምለኸ ትካል ልምዓት ቢልን ሜለንዳን ጌትስ ፕረዚደንት ክርስቶፈር ኤሊያስ ቅድሚ ትማሊ ተራኺቦም ኣብ ዝተዘራረቡ እዋን'ውን ሓገዝ ንዘድልዮም ክሕገዝሉ ብዛዕባ ዝኽእልሉ መንገዲ ከምዝተዘራረቡ ገሊጾም'ለዉ ። ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብዛዕባ ናብ ክልል ትግራይ ብመሬት ዝኣቱ ረድኤት ዉሑድ እዩ ዝብል ካብ ሰበ-ስልጣን'ቲ ክልልን ገለ ወገናት ዝቀርብ ክስን ብዛዕባ ኣብ ኤምባሲ ሩስያ ንውትህድርና ንምምዝጋብ ተሰሊፎም ተራእዮም ዝተባህሉ ኢትዮጵያውያንን ካብ ዒድ ክሳብ ዒድ ብዝብል ኣብ ጸገም ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑዲ ዓረብ: ኩወይትን ሊባኖስን ናብ ሃገሮም ክኣትዉ ዝጀመሩን ኣመልኪቶም'ዉን ኣብቲ መግለጺኦም መልሲ ሂቦም'ለዉ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8C%B8%E1%8C%88%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%88%95-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8B%B5%E1%88%8D%E1%8B%89-%E1%8B%A9-%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-\/6539275.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ:ብሰንኪ ግጭትን ዂናትን ዝዓነው ትካላት ጥዕና ዳግማይ ህንጸት ምጅማሮም ሚ\/ጥዕና ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ እቲ ናይ ሰሜናዊ ክፋል'ታ ሃገር ዘሎ ኹናትን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዝተፈጥረ ጎንጽታት ዝዓነዉ ትካላት ጥዕና መሊስካ ናይ ምህናጽ ስራሕ ብኸፊል ምጅማሩ ሚንስትሪ ሚኒስተር ጥዕና'ታ ሃገር ገሊጹ። ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብሰንኪ እቲ ኹናት ካብ ዝዓነዉ ሆስፒታላት እቶም 36 ስራሕ ከም ዝጀመሩ'ውን ተፈሊ ጡ'ሎ። ምክትል ሚንስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ\/ር አየለ ተሾመ ኣብ ኣብ መላእ እታ ሃገር ልዕሊ 3-ሽሕ ትካላት ጥዕና ጉድኣት ከምዘጋጠሞም ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዳህሳስ መጽናዕቲ አርእዩ እሎ ኢሎም። ካብቶም ዝዓነዉ ትካላት ጥዕና 87% ሕጂ ስራሕ ጀሚሮም'ለዉ ክብሉ'ውን ወሲኾም ሓቢሮም ኣለው። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%82%E1%8A%93%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%8B%93%E1%8A%90%E1%8B%8D-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8B%B3%E1%8C%8D%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%88%85%E1%8A%95%E1%8C%B8%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8C%85%E1%88%9B%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%88%9A-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1-\/6539332.html"} {"headline":"“ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብውሑዱ ኣስታት 1,900 ህጻናት ትግራይ ብጥሜት ሞይቶም” ኣሶሸይትድ ፕረስ","content":"ንሰብ መዚ ጥዕና ክልል ትግራይ ብምጥቃስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብውሑዱ ኣስታት 1,900 ህጻናት ኣብቲ ክልል ብሰንኪ ጥሜት ከም ዝሞቱ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ጸብጺቡ። እቲ ዜና ከም ዝጠቕሶ እቲ ቍጽሪ ካብ ወርሒ ሰነ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክሳብ ፈለማ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ሚያዝያ ምዃኑ’ዩ። እቲ ዝተጠቕሰ ብዝሒ ሞት ኣብ ማእከላት ሕክምና ዝተመዝገበ ምዃኑ ድማ ተመልኪቱ ኣሎ። ሓደ ካብቶም ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ሓካይም ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ከም ዝሓበሮ ድማ፡ ብሰንኪ ስእነት መጓዓዝያን ካልእ መሳለጥያታትን ደቆም ናብ ማእከላት ሕክምና ከምጽኡ ዘይክእሉ ወለዲ ብዙሓት ክዀኑ ስለ ዝኽእሉ እቲ ሓቀኛ ኣሃዝ ካብቲ ዝተጠቕሰ ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ይሕብር። እቲ ጸብጻብ ምዕራብ ትግራይ ኣብቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዘይተጠቓለለ'ውን ሓቢሩ'ዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%88%88%E1%8D%88-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%8D%E1%88%91%E1%8B%B1-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-1-900-%E1%88%85%E1%8C%BB%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%8C%A5%E1%88%9C%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%88%B6%E1%88%B8%E1%8B%AD%E1%89%B5%E1%8B%B5-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%88%B5\/6539094.html"} {"headline":"ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ዕስክርና ሩስያ ኣመልኪቱ መግለጺ ኣውጺኡ","content":"ኢትዮጵያውያን መንእሰያት ኣብ ጎድኒ ሩስያ ንምስላፍ ኣብ ኤምባሲ ሩስያ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ክርአ ዝቐነየ ነዊሕ ሪጋ፡ ኤምባሲ ሩስያ ኣብታ ሃገር ኣሉታዊ ምላሽ ድሕሪ ምሃቡ፡ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ድማ ነቲ መግለጺ ብሓጎስ ከም ዝቕበሎ ሎሚ ኣፍሊጡ። “ሓንቲ ሃገር ኣብ ውሽጢ ልዑላዊት ካልእ ሃገር መንእሰያት ከተሰልፍ ንውዕል ቬና 1961 ከም ዝጥሕስ\" ዘመልከተ መግለጺ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ፡ ኤምባሲ ሩስያ ቅልጡፍ ምላሽ ምሃቡ መጒሱ። መዓልታዊ ክውስኽ ከም ዝቐነየ ዝተገልጸ መስርዕ መንእሰያት ኣብ ኤምባሲ ሩስያ ኣቓልቦ ማሕበራዊ መረኸቢታትን ገለ ማዕከናት ዜና ኰይኑ ቀንዩ። ኣብቲ ቦታ ዝተረኽበ ወኪል ድምዲ ኣመሪካ ነቶም “ናብቲ ኲናት ክኸቱ ምምጻኦም” ዝሓበሩ መንእሰያትን ኤምባሲ ሩስያን ኣብ ዘዛረበሉ፡ ብወገን እቲ ኤምባሲ ከምኡ ዝመስል ናይ ምዕስካር መደብ ከም ዘይብሎም ገሊጾም ነይሮም። ከም ኣገላልጻ እቲ ኤምባሲ እቶም ኣብኡ ዘለዉ መንእሰያት ደገፎም ንሩስያ ንምርኣይ ኣብቲ ቦታ ምርካቦም ምሕባሮም ይፍለጥ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8B%95%E1%88%B5%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%8A%93-%E1%88%A9%E1%88%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%AA%E1%89%B1-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%8C%BA%E1%8A%A1\/6537523.html"} {"headline":"ኣብ ምምሕዳራዊ ወሰን ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ብዝተላዕለ ግጭት 17 ሰባት ምሟቶም ኣመሓደርቲ'ቲ ከባቢ ገሊጾም","content":"ኣብ ምምሕዳራዊ ወሰን ኦሮምያን ዞባ ሰሜን ሸዋን ብዝተፈጥረ ግጭት ብውሕዱ 17 ሰባት ካብ ክልቲኦም ወገናት ከም ዝሞቱ ከባቢያዊ ኣመሓደርቲ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ወሃቢ ቓል ፍሉይ ዞባ ምምሕዳር ኦሮሞ ጀማል ሓሰን ብወገኑ፡ ብኽልቲኡ ወገን ዘለዉ ጽንፋውያን`ዮም ነቲ ካብ ኣምሓራን ኦሮምያን ህይወት ዘጥፍአ ግጭት ወሊዖሞ ይብል። በቲ ኣብ ወረዳ ጂለ ጥሙጋን ከባቢ ኤፍራታን፡ ብፍላይ ናብ ሸዋ ሮቢት ዝቐርቡ ከባብታት ዝተፈጥረ ግጭት፡ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ሰባት ከምዝቖሰሉን፡ ኣባይቲ ከምዝዓነወን`ውን፡ ንመንነት`ቶም ፈጸምቱ ንምፍላጥ ምጽራይ ይግበር ከምዘሎ`ውን እቶም ሰበ-ስልጣን ከባቢ ንወኪል ድምጺ ኣመሪካ ገሊጾምሉ ኣለዉ። ሽሞም ክጥቀስ ዘይደለየ ሓደ ነባሪ ሸዋ ሮቢት ንድምጺ ኣመሪካ ክገልጽ ከሎ፡ እቲ ንክልተ መዓልታት ዝተኻየደ ውግእ፡ ብሓረስቶት ዝውነን`ዩ ዘይትብሎ ብረት ኣብ ጠቕሚ ዝወዓለሉን፡ ዝተወደበ ወተሃደራዊ ኣካል ኣሎ ኢሉ ከምዝኣምንን ተዛሪቡ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-17-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/6537567.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሰንኪ ዂናት 2 ሚልየን ተማሃሮ ካብ ትምህርቶም ምዝንባሎም'ቲ ክልል ሓቢሩ","content":"ብሰንኪ`ቲ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ዂናት፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ክልተ ሚልየን ተማሃሮ ካብ ትምህርቶም ከምዝተመዛበሉ ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ። ወሃቢ ቓል`ቲ ክልል ኣቶ ግዛቸው ሙሉነህ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ካብቶም ተመሃሮ 850 ሺሕ ጥራሕ ናብ ትምህርቶም ተመሊሶም ኣለዉ ኢሉ። ኣስዒቡ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ልዕሊ ሸውዓት ሺሕ ኣብያተ ትምህርቲ በቶም ነቲ ከባቢ ተቖጻጺሮም ዝነበሩ ሓይልታት ህወሓት ዓንዮም`ዮም ኢሉ። ሚንስትሪ ትምህርቲ፡ እቶም ኣብ ከባቢ ግጭት ዝነበሩ ተመሃሮ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእትዎም ፈተና ክወስዱ ምፍቃዱ፡ ክልል ኣምሓራ ከምዝንእድ`ውን እቲ ወሃቢ ቓል ጠቒሱ`ሎ። ምስቲ ኩናት ብዝትሓሓዝ ዝዓነው ልዕሊ ክልተ ሺሕ ኣብያተ ትምህርቲ ዳግም ንምህናጽ ናይ ኩሉ ወገን ምርብራብ ከምዝሓትት`ውን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣፍሊጡ`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8B%82%E1%8A%93%E1%89%B5-2-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%A8%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%83%E1%88%AE-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6537614.html"} {"headline":"ንትሽዓተ ኣዋርሕ ተኣሲርና ዝበሉ 1,300 ተወላዶ ትግራይ ተፈቲሖም","content":"1,300 ምዃኖም ዝገለፁ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተኣሲሮምዎ ካብ ዝነበሩ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተው ተፈሊጡ።ቪኦኤ ካብ ዘዘራረቦም ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ከምዝበሉዎ ካብ ዓፋር፣ኣዲስ ኣበባን ካልኦትን ከባቢታት ተለቒሞም ዞባ ሃዲያ ሾኔ ኣብ ዝተብሃለ ከተማ ኣብ ዝርከብ ቀፅሪ ዩኒቨርስቲ ዋቸሞ ንትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ‘’ዝኸፍአ ኩነታት’’ ተታሒዝና ዝተኣሰርናሉ ምኽኒያት ከይተነገርናን ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረብናን ኣዲስ ኣበባ ኣምፂኦም በቲኖምና ይብሉ። ካብ ኮሚሽን ፌደራል ፖሊስ፣ህዝቢ ርክብ ምንስቴር ፍትሒን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ኢትዮጵያን ጉዳያት መብርህን ሪኢቶን ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይተዓወተን። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ተቖፂሩ ይሰርሕ ከምዝበረ ዝገለፀ ወዲ 36 ዓመት መረሳ ኣባዲ ዕረፍቲ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ኣብ ዓፋር ሚሌ መፈተሺ ኖቕጣ ካብ ካልኦት ፈሊዮም ኣኪቦም ወሲዶምና ይብል። መጀመሪያ ዝኣሰሩዎም፣ዓጂቦም ዝወሰዱዎምን ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ይሕልውዎም ዝነበሩን ናብ ኣዲስ ኣበባ እውን ኣኪቦም ዘምፅእዎምን ናይ ፌደራል ፖሊስ ምዃኖም ይገልፁ። ድሕሪ ትሽዓተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ተፈቲሕና ዝበሉ ወሃብቲ ሪኢቶ ተአሲሮምሉ ዝነበሩ ከባቢ ዱርን ዝኾነ ይኹን ዝሓትት ሰብ ዘይርከበሉን እዩ ይብሉ። ኣብ ፈላማይ ዙር ብትሽዓተ መካይን ኣብ ካልኣይ ዙር ድማ ብ10 ኣውቶቡስ ተፃዒኖም ብሓፈሻ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዝርከቡዎም 1,300 እሱራት ከምዝኾኑ መረሳ ይገልፅ። ዝተኣሰርሉ ምኽኒያት ብግልፂ ከምዘይተነገሮም ዝዛረብ መረሳ ብትግራዋይ መንነትና እዮም ኣሲሮምና ይብሉ።ናይዚ መርኣያ ድማ ኩላትና ትግርኛ ተዛረብቲ ጥራሕ ኢና ነይርና ይብል። ንትሽዓተ ኣዋርሕ ዝሓተተናን ዘዘራረበናን ኣካል ኣይነበረን ፤ኣብ ማዕልቲ ን21 ስዓታት ካብ ዝተኣሰርናሉ ክፍሊ ክንወፅእ ኣይፍቀደልናን፤ብበትሪ ይቕጥቅጡና ነይሮም ይብሉ። ካብቶም እሱራት 130 ደቂ ኣንስትዮ ምዃነንን ነፍፀ ፁራትን ወዲ ክልተ ዓመት ህፃን ዝሓዘት ሓዊሱ ኣዴታት ከምዝርከበአንን ይገልፁ።ወለዲ ዘይብሎም ናይ 12 ዓመት ቆልዑ እውን ነይሮም ይብሉ። ትውልዲ ዓዳ ኣብ ደቡብ ትግራይ ከተማ ወጀራት ምዃና ዝገለፀት ሕልፊ አሰፋ ሃደራ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንኽልተ ኣዋርሕ ታአሲራ ናብ ሃገራ ምስ ተመለሰት ‘’ብዘይፈልጦ ምኽኒያት ኣብ ኢትዮጵያ እውን ማእሰርቲ ተፀቢዩኒ’’ትብል።ምስ ካልኦት ብምዃን ናብ ትግራይ ንምኻድ ብምሕሳብ ናብ ዓፋር ተጓዒዞም ኣብ ዋና ከተማ እቲ ክልል ሰመራ 5 ሓምለ 2013 ዓ.ም ሓይልታት ፀጥታ ንዕዓን መሓዙታን ካብ ዝደቀሱሉ ሆቴል ለይቲ መፂኦም መፍለልይ መንነቶምን ናይ ኢድ ስልክታቶምን መንጢሎም ናብ ክልል ደቡብ ከምዝወሰዱዎም ትዛረብ። ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝወለዳን ክልተ ብፁሓት ነፍሰ ፁራት ድማ ከምዝነበራ ትዛረብ። 4 ሚያዚያ 2014 ዓ.ም ካብ ዝተኣሰርሉ ብ17 ኣውቶቡሳት ጽዒኖም ክወስዱዎም ከለው ናበይ ከምዝወስዱዎም ከምዘይተዛረቡዎም ፣ንዝዓጀቡዎም ፖሊሳት እንተሓተቱዎም እውን ዝፈልጡዎ ከምዘየለ ከምዝገለፅሎምን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቃልቲ ከምዝበተኑዎምን ይገልፁ። ኣውስትራሊያ ፣ካናዳ ፣ዴንማርክ ፣ዘ ኔዘርላንድ ፣ኢንግሊዝን ኣሜሪካን ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ መንነት መሰረት ዝገበረን ብዘይ ክስን ማእሰርቲ ይፍፅም ከምዘሎ ብምግላፅ ከምዘተሓሳሰበን ገሊፀን ነይረን። መንግስቲ ኢትዮጵያን ግን ብትግራዋይ መንነቶም ዝተኣሰሩ የለውን ክብሉ ኣሉታ ክህቡሉ ፀኒሖም እዮም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%89%B5%E1%88%BD%E1%8B%93%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%89%B0%E1%8A%A3%E1%88%B2%E1%88%AD%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%89-1-300-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B6-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%89%B2%E1%88%96%E1%88%9D\/6536393.html"} {"headline":"መግቢ: ነዳዲን ካልእ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን መቐለ ምእታወን ሕ\/ሃ ሓቢሩ","content":"መግቢ፣ ካልእ ሰብኣዊ ሓገዛትን ነዳዲን ዝጻዓና 50 ዓበይቲ መካይን፣ ዝሓለፈ ዓርቢ መቐለ ከምዝኣተዋ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሰኑይ ገሊጹ። ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስተፈን ዩሪክ ኣብ ናይ ትማሊ ሰኑይ ምሸት መግለጺኡ እቲ ጽዕነት ን43 ሽሕ ሰባት ዝኸውን 1000 ቶን ሓገዝ መግቢ ከምኡ'ውን 700 ቶን ንሕክምና፣ ዝተመጣጠነ መግቢ፣ ማይን ንጽህናን ዝውዕል ጽዕነት ዝሓዘ ከምዝኾና ጠቂሱ: 115 ሽሕ ሊትሮ ነዳዲ ዝጻዓና ሰለስተ መካይን’ውን መቐለ ምእታወን ሓቢሩ። ንዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒን ፈረቃን ሓገዝ ናብ ክልል ትግራይ ከይኣተወ'ዩ ጸኒሑ። እዚ ዳሕረዋይ ረድኤት፣ኣብ ውሽጢ አስታት ክልተ ሰሙናት ንካልኣይ ጊዜ ዝተላኣኸ ምዃኑ’ውን እቲ ወሃቢ ቃል ኣፍሊጡ። ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ባይታ ንዘሎ ሰብኣዊ ጠለብ ንምምላእ፣ ገና ብዙሕ መጠን ረድኤት የድልይ'ዩ። ስተፈን ዩሪክ ብተወሳኺ ረድኤት ካብ ሰመራ ንመቐለ ክላኣኽ ቅሩብ ከምዘሎ፣ ካብኡ ዝሰገረ፣ ረድኤት ዝጻዓና መካይን ብሰላም ናብ ህዝቢ ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ንክበጽሓ መታን ምስ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ንራኸብ ኣለና ይብል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8A%90%E1%8B%B3%E1%8B%B2%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8B%93%E1%8A%93-%E1%88%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%A8%E1%8A%95\/6536132.html"} {"headline":"ኤምባሲ ሩስያ ኣብ ኢትዮጵያ መናእሰይ ይምልምል ኣሎ ንዝብል ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ይነጽግ","content":"ኤምባሲ ሩስያ ኣብ ኢትዮጵያ: ኢትዮጵያዊያን መናእሰይ ኣብ ጎኒ ሩስያ ኮይኖም ኣብ ዩክሬን ንክዋግኡ ይምልመሉ ኣለው ንዝብል ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ነጺግዎ። ወሃቢ ቃል’ቲ ኤምባሲ ማርያ ቸርኑኪና ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ \"ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ምልመላ የለን፣ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ሩስያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተራኣየ ሰልፊ፣ ንኣዋርሕ ዝቀጸለን ዜጋታት’ዛ ሃገር ምስ ሩስያ ዘለዎም ምሕዝነት ዝገለጽሉን እዩ\" ኢላ። ንድምጺ ኣመሪካ ርእይቶ ዝሃበ ሓደ መንእሰይ ብወገኑ \"ኣብ ሰራዊት ንክኽተብ ናብ’ቲ ኤምባሲ ከምዝመጸ\" ጠቂሱ። \"ኢትዮጵያዊያን ይምልመሉ ኣለው ዝብል ወረ ስለዝሰማዕኩ፣ ሰለስተ መዓልታት ኣከታቲለ ናብ’ዚ ኤምባሲ መጺኤ ኣለኹ\" ምባሉ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ኣዲስ ኣበባ ይሕብር። ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ወሲኹ ቁጽሪ ኣብ ኤምባሲ ሩስያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝእከቡ ሰባት ኣብዝሓለፋ ሓሙሽተ መዓልታት ምውሳኹ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከምዝሓበርዎ ይገልጽ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B2-%E1%88%A9%E1%88%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%98%E1%8A%93%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AD-%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%88%9D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AD%E1%8C%88%E1%88%90-%E1%88%93%E1%89%A0%E1%88%AC%E1%89%B3-%E1%8B%AD%E1%8A%90%E1%8C%BD%E1%8C%8D\/6536211.html"} {"headline":"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ህወሓት ርክብ ኣለዎም ተባሂሎም ዝተዓሸጉ ሆቴላት ምክፋቶም ማህበር ሆቴላት ገሊጹ","content":"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ህወሓት ርክብ ኣለዎም ተባሂሎም ተዓሺጎም ዝጸንሑ ሆቴላት ኣብ’ዚ ሰሙን ተኸፊቶም ናብ ስራሕ ከምዝተመለሱ ይግለጽ ኣሎ። ፕረዚደንት ማሕበር ወነንቲ ሆቴላት ኢትዮጵያ ወ\/ሮ ኣስቴር ሰሎሞን ንድምጺ ኣመሪካ ከምዝገለጸኦ \"እቶም ዝተዓሸጉ ሆቴላት ንክኽፈቱ ኣብ ጻዕሪ ከምዝጸንሓን፣ ንኣዋርሕ ድሕሪ ተዓጽዮም ምጽንሖም ዝተኸፈቱ ሆቴላት፣ ንዝተፈላለዩ ኪሳራታት ከምዝተቃልዑን ደገፍ ንክግበረሎምን\" ሓቲተን። ኣብ ልዕሊ’ዚ ጉዳይ’ዚ መልሲ መንግስቲ ንምርካብ ዝተገበረ ፈተነ ኣይሰመረን። ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ኣዲስ ኣበባ እቶም ሆቴላት ኣብ ዝተዓሸግሉ እዋን እቲ ስጉምቲ ንመንነት መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ተሓለቅቲ መሰላት ምግላጹን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ነቲ ክሲ ከምዘይተቐበሎም ይሕብር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%88%AD%E1%8A%AD%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%82%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%88%B8%E1%8C%89-%E1%88%86%E1%89%B4%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8D%8B%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%88%9B%E1%88%85%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%88%86%E1%89%B4%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9-\/6536278.html"} {"headline":"ኣስመራ: ጾም ሮሞዳን ኮቪድ-19 ኣብ ዝዘለቐሉ","content":"ቅዱስ ጾም ሮሞዳን ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ ካብ ቅድሚኡ ዝነበረ ክልተ ዓመታት ኣብ ተዛማዲ ምፍኳስ መምርሒታት ኮቪድ-19’ዩ ዝካየድ ዘሎ። እዚንን ካልእ ምስ ጾም ሮሞዳን ተኣሳሲሩ ዝለዓለ ኣርእስታትን ንገለ ኣመንቲ ኣዘራሪቡ ካብ ኣስመራ ኣዘራሪብና ኣለና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8C%BE%E1%88%9D-%E1%88%AE%E1%88%9E%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%AE%E1%89%AA%E1%8B%B5-19-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8B%98%E1%88%88%E1%89%90%E1%88%89\/6534354.html"} {"headline":"ምቅርራባት ወቕቲ ዘራእቲ ትግራይ፤ ብዘለካን ዝከኣለካን","content":"ወቕቲ ዘራእቲ ኣብ ዝቀራረበሉ እዋን፡ ሓረስቶት ክልል ትግራይ እቲ ክረኸቡዎ ዝፀንሑ ምሩፅ ዘራእቲን ዘመናዊ ድዅዒን ከም ቀደሙ ኣይክህሉን’ዩ። ንሱ ኣብ ዘይብሉ እቲ ክልል ከመይ ክዋፅኦ ምዃኑ፡ ወኪልና ንሓላፊ መራኸቢታት ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ኣዘራሪቡ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%89%85%E1%88%AD%E1%88%AB%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%89%95%E1%89%B2-%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%8A%A5%E1%89%B2-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8A%AB%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%8A%A8%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8A%AB%E1%8A%95\/6534361.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ኦሞ ብሰንኪ መጥቓዕቲ ዝተመዛበሉ ነበርቲ ሓገዝ ከምዘይረኸቡ ይገልጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ደቡብ ክልል ዞባ ኦሞ ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ኣብ ፀገም ወዲቕና ሰብኣዊ ሓገዝ ኣይንረክብን ዘለና ኢሎም።ናይቲ ዞባ ኣመሓዳሪ ግን እቲ ከባቢ ምርግጋኡን ሰብኣዊ ሓገዝ እውን ይቐርብ ከምዘሎን ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ተዛሪቦም። ናይቲ ዞባ ምኽትል ኣመሓዳሪን ሓላፊ ፀጥታን ሰላምን ኣቶ ደሞ በዛብህ ዝተመዛበሉ ሰባት ልዕሊ 1,200 ምዃኖም ብምግላፅ ብገበን ዝተጠርጠሩ ኣስታት 600 ሰባት ድማ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምውዓሎም ሓቢሮም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%8A%A6%E1%88%9E-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%8A%B8%E1%89%A1-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B9\/6534399.html"} {"headline":"መላግቦ ያታዊን ዘመናዊን ስነ-ጥበብ","content":"ኣሕመድ ኣድም ስዒድ፡ ብቛንቋ ሳሆ ዝደርፍ ድምጻዊ ኰይኑ፡ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝጽወቱ ዝነበሩ ባህላዊ ጸወታታን ዝውቱራት ባህላዊ ደርፍታታን ብሄረ ሳሆ ብምፍታሽ፡ናቱ ፈጠራ ወሲኹ ንህዝቢ ኣብ ምልላይ ይጽዕር ከም ዘሎ ይዛረብ። እዚ ናይ ምግጣም፡ምዝያም፡ ምድባልን ምእላይን ዓቕሚ ከም ዘለዎ ዝዛረብ መንእሰይ ስነ-ጥበበኛ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ በዓላት፡ ጽንብላት ካልእ ኣጋጣሚታትን ባህላዊን ዘመናዊን ትሕዝቶ ክጻወት ጸኒሑን ኣሎን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%8B%E1%8C%8D%E1%89%A6-%E1%8B%AB%E1%89%B3%E1%8B%8A%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%88%98%E1%8A%93%E1%8B%8A%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%8C%A5%E1%89%A0%E1%89%A5\/6533736.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ክታበት ፖሊዮ ተጀሚሩ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ብደረጃ ሃገር ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ንዝኾኑ ኣስታት 17 ሚሊዮን ህፃናት ናይ ገዛ ንገዛ ኽታበት ኣብ ባህር ዳር ምሃብ ምጅማሩ ተሓቢሩ። ኣብ ዶባት ኢትዮጵያ ቁፅፅር ስለዝወሓደ ሕማም ኣልምሲ ወይ ፖሊዮ ቫይረስ ይጋፋሕ ስለዘሎ ጥንቃቐ ክግበር ተሓቢሩ። ኢትዮጵያ ኣብ 2009 ዓ\\ም ካብ ፖሊዮ ነፃ ምዃና ምስተረጋገፀ ሎሚ ክኽስተ ምኽኣሉ ናይ ኢትዮጵያ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ምኽትል ዳይረክተር ኣቶ ኣስታቸለው ኣባይነ ሓቢሮም። ሎሚ እውን ኣብ ኣፍሪካ ግቡእ ጥንቃቐ ክግበረሉ እውን ተዛሪቦም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6531298.html"} {"headline":"መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ጉምዝ ስጉምቲ ይወስድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ","content":"ንፃውዒት ሰላም ኣብ ዝተቐመጠ ናይ ግዜ ገደብ ኢዶም ንመንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዘይሃቡ ዕጡቓት ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ጉሙዝ ስጉምቲ ይውሰድ ከምዘሎ ሓላፊ ቢሮ ህንፀት ሰላም ፀጥታ ክልል ጉሙዝ ገሊፆም። ሓላፊ ቢሮ ኣቶ ኣብዮት ኣልቦሮ ’'ዕጡቓት ኢዶም እንተሂቦም ዝውሰዶም’’ ስጉምቲ የለን ክብሉ ንቪኦኤ ገሊፆም። ብኻሊእ ወገን ኣቦ ወንበር ናይቲ ምንስቓስ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት ዝኸፈቶ ውግእ ምቕፃሉን ንፁሃት ዜጋታት ይጉድኡ ስለዘለው መንግስቲ ዝጀመሮ ኵናት ጠጠው ከብልን ፀዊዖም። ናይቲ ክልል ሓላፊ ቢሮ ህንፀት ሰላምን ፀጥታን ግን ‘’ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት ዝተኸፈተ መጥቓዕቲ ክቕፅል እዩ፤ኣብ ልዕሊ ስቪላት ዝወረደ መጥቓዕቲ ግን የለን’’ክብሉ ኣሉታዊ መልሲ ሂቦምሉ ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%8B%9D-%E1%88%B5%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%88%B5%E1%8B%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6531293.html"} {"headline":"ጾም ሮሞዳን ምስ ስእነት ቀረባት","content":" ቅዱስ ጾም ሮሞዳን ኣመንቲ ምስልምና፡ ኣብ ሰዓታት ኢፍጣር ሓቢሮም ዝካፈልሉን ብሓንሳብ ዝስዕሩሉን ልምዲ’ዩ። ሕጂ ኣብ ትግራይ ምስ ዘሎ ስእነት ቀረባት ኣመንቲ እንታይ ፍልልይ ርእየምሉ? ወኪልና ሙሉጌታ ኣፅብሃ ካብ መቐለ፡ ዝለኣኾ ጸብጻብ ኣሎ ኣብዚ ንከታተሎ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%BE%E1%88%9D-%E1%88%AE%E1%88%9E%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%B5%E1%8A%A5%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%88%A8%E1%89%A3%E1%89%B5\/6528258.html"} {"headline":"መጽሓፍቲ ህጻናት ትግርኛ ብኸፈር","content":"ኣስመራ — ደራሲት ራሄል ኣስገዶም ዘርአ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ፡ 16 ናይ ህጻናት መጽሓፍቲ ብትግርኛ ናብ ኣንበብቲ ዘርጊሓ ኣላ። ንዕኡን ካልእ ተዛማዲ ኣርእስቲን ዝምልከት ኣዘራሪሪብናያ አለና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%88%93%E1%8D%8D%E1%89%B2-%E1%88%85%E1%8C%BB%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AD%E1%8A%9B-%E1%89%A5%E1%8A%B8%E1%8D%88%E1%88%AD\/6528256.html"} {"headline":"ናብ ዳባት ዝገዓዙ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ሕጂ'ውን ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ከምዘለው ይገልጹ","content":"ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኣጸጋሚ ኩነታት፡ ካብተን ኣብኡ ዝነበራን ዘለዋን መዓስከራት ኤርትራውያን ስደተኛታት ሃዲሞም፡ ኣብ ዳባት ዝብሃል ቦታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተመስረተ ሓዲሽ መዓስከር ተዓቑቦም ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ \"ኣብዚውን ኣይጠዓመናን፡ ወይ መሰልና ሓልዉልና ወይ ንዓድና ምለሱና\" ብዝብል ዝሓለፈ ሰሙን ሰልፊ ወጺኦም ኔሮም። ንሳቶም፡ ካብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትኹረት ከምዝሰኣኑ ንመዓስከር ተዛሪቦም ኣለዉ። ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8B%B3%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%8B%93%E1%8B%99-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%8C%82-%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8C%B8%E1%8C%8B%E1%88%9A-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B9\/6526172.html"} {"headline":"ዶ\/ር ሃይለ ደባስ፤ ውጽኢት በበይኑ ኣጋጣሚታትን ጻዕሪን","content":"ኣብ ዓለማዊ ምብጻሕ ጥዕና (global health) ነጥበ-መቐይሮ ከም ዝገበሩ ዝምስከረሎም ዶ\/ር ሃይለ ደባስ ኣብ በበይኑ ጽፍሕታትን ሞያን ሕክምና ንልዕሊ 40 ዓመታት ሰሪሖም። ንኣተዓባብያኦም፡ ትምህርቶምን ዝሓለፉዎ በበይኑ ፈተነታትን ብዝምልከት ኣዘራሪብናዮም ኣለና። ገና ወዲ 12 ዓመት እንከለዉ ካብ ኤርትራ ዝወጹ ዶክተር ሃይለ፡ ንሞያዊ ስራሓቶም ኣመልኪቶም ብትግርኛ ምግላጽ ስለ ዝጽገሙ--ከምቲ ዝመረጹዎ-- ብእንግሊዘኛ’ዮም መልሲ ሂቦም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%88%83%E1%8B%AD%E1%88%88-%E1%8B%B0%E1%89%A3%E1%88%B5-%E1%8B%8D%E1%8C%BD%E1%8A%A2%E1%89%B5-%E1%89%A0%E1%89%A0%E1%8B%AD%E1%8A%91-%E1%8A%A3%E1%8C%8B%E1%8C%A3%E1%88%9A%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8C%BB%E1%8B%95%E1%88%AA%E1%8A%95\/6526147.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ኦሞ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ 151 ኣባይቲ ምቕጻሉ እቲ ክልል ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ዞባ ኦሞ ብሰንኪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ 151 ኣባይቲ ከምዝተቓጸለን 1-ሽሕ ዜጋታት ከምዝተፈናቀሉን፣ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን እቲ ክልል ኣፍሊጡ። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ኣብ ገበን ኢድ ዘይብሎም መናእሰያት ይእሰሩ ከምዘለው ነበርቲ ጂንካ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም። ኣብ ዞባ ደቡብ ኦሞ፣ ከተማ ጂንካን ከባቢኡን ዘጋጠመ ጸገም ጸጥታ፣ ንፈለማ ጊዜ ዘጋጠመ ከምዘይኮነ፣ ቅድሚ ሎሚ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል፣ ተመሳሰልቲ ህውከታት ይራኣዩ ከምዝጸንሑ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ሃዋሳ ዝላኣኾ ሪፖርት ጠቂሱ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%8A%A6%E1%88%9E-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-151-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%8C%BB%E1%88%89-%E1%8A%A5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6526404.html"} {"headline":"ናብ ዋግህምራን ሰቆጣን ዝኣትው ብዝሒ ተፈናቐልቲ ይውስኽ ምህላው ሰብ-መዚ'ቲ ከባቢ ሓቢሮም","content":"ናጻ ካብ ዘይወጹ ከባቢታት ናብ ዋግህምራን ሰቆጣን ዝኣትው ተፈናቀልቲ፣ ብዝሖም ካብ ዕለት ናብ ዕለት ይውስኽ ከምዘሎ ቢሮ ኮሚኒኬሽን ዋግህምራ ኣፍሊጡ። ዛጊት 70 ሽሕ ተፈናቀልቲ ከምዘለው ዝገለጸ ኣቶ ከፍያለው ደበሽ፣ መዓልታዊ ኣስታት 200 ሰባት ናብ’ታ ከተማ ይኣትው ኣለው ኢሎም። ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ኣስታት 11.6 ሚልዮን ህዝቢ፣ ተጸባዪ ህጹጽ ረድኤት ኮይኑ ከምዘሎ፣ ክልላዊ መንግስቲ ከምዝሓበረ ዝዝከር እዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8B%8B%E1%8C%8D%E1%88%85%E1%88%9D%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%86%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%8B%9D-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%8D-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%92-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8A%93%E1%89%90%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%8B%AD%E1%8B%8D%E1%88%B5%E1%8A%BD-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%9A-%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/6526366.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ኣብ ጥቓ ከተማ ጂንካ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ምብጽሑ ነበርቲ ይገልጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ኦሞ ክልል ደቡብ ኣብ ጥቓ ከተማ ጂንካ ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ዝለዓለ ዕንወት ምውራዱ ነበርቲ እቲ ከባቢ ገሊፆም። ኣብ ወረዳ ኣሪ ዞባ ናይ ምዃን ሕቶ ቐሪቡ ምስ ዝተባህለ ብዝተኣሳሰረ ተፈፂሙ ዝተባህለ መጥቓዕቲ ኣርባዕተ ኣባላት ፖሊስ ሓዊሱ 133 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምውዓሉ ኮሚሽን ፖሊስ ናይቲ ክልል ኣፍሊጡ። ኮሚሽነር ፖሊስ ኣለማየሁ ማሞ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዝወረደ ጉድኣት ይጻረይ ምህላው ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም። ካብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ጂንካ ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣብ ልዕሊ 25 ሰባት ናይ ሞትን መቑሰልትን ሓደጋ አጋጢሙ'ሎ።ሎሚ መዓልቲ ግን ኣብቲ ከባቢ ኣንፃራዊ ሰላም ዓሲሉ ከምዝወዓለን ጉድኣት አጋጢምዎ ናብቲ ሆስፒታል ዝመፀ ሰብ ከምዘየለን'ውን ተፈሊጡ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%A5%E1%89%93-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8C%82%E1%8A%95%E1%8A%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%98-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8C%89%E1%8B%B5%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%88%91-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B9\/6524933.html"} {"headline":"መግለጺ ሚ.ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ንጸብጻባት ኣብ ምዕራብ ክልል ትግራይ ተፈጺሞም ዝተባህሉ ግፍዒታት","content":"ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ምዕራብ ክልል ትግራይ ብሰበ ስልጣን ክልል ኣምሓራ ተፈጺሞም ንዝተባህሉ ብሄር መሰረት ዝገበረ ግፍዒታት ብዝምልከት ብተደጋጋሚ ዝወጹ ዘለው ጸብጻባት: ሓባራዊ ሪፖርት ህዩማን ራይትስ ዎችን ኣምንስቲን ሓዊሱ ከምዘሻቅሎ ገሊጹ። ብፍላይ ድማ ውጽኢት እዞም ጸብጻባት ንዝተፈጸሙ ግፍዒታት ምስ \"ምጽናት ዓሌት\" ክዳረግ ከምዝኽእል ምሕባሩ ዝያዳ ከምዘሻቅሎ መግለጺ'ቲ ሚንስትሪ ይሕብር። ብተወሳኺ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተወላዶ ትግራይ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ኣሰካፊ ዝኮነ ኩነታት ብብዝሒ ይእሰሩ ምህላዎም ከምዘተሓሳሰቦ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ይገልጽ። እቲ መግለጺ በዚ መሰረት ብከምዚ ኩነታት ዝተኣሰሩ ክፍትሑን ዝምልከቶም አካላት ዓለምለኸ ተዓዘብቲ ናብዞም ናይ ማእሰርቲ ቦታታት ክኣትው ከፍቕድ ንጽውዕ ይብል። ቀጻሊ ዝወጹ ጸብጻባት ግፍዒታት ድማ ህጹጽነት ምቁራጽ ተጻብኦ ዘረጋግጹ ምዃኖም ብምሕባር ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ነቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ ንሰብኣዊ ሓገዝ ተባሂሉ ዝተወስደ ስጉምቲ ምቁራጽ ተጻብኦ ከምዝድግፎን ስዒቡ ዝተኻየደ ምብጻሕ ፈላማይ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘሓጎሶን ገሊጹ። ኣመሪካ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብታ ሃገር ክወጹ ከምኡ'ውን ሰበ ስልጣን ክልል ንናይ ጸጥታ ሓይልታቶም ካብ ጎረባብቲ ክልላት ከውጽኡ ጻውዒታ ዳግማይ ኣቕሪባ'ላ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ናይ ሕቡራት ሃገራት መርመርቲ ሰብኣዊ መሰላት ክተሓበበር`ውን ንጽውዕ ዝበለ መግለጺ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኩሎም ወገናት ምቁራጽ ተጻብኦታት ዝቕጽለሉ ስጉምትታት ክወስዱ፡ ብኹሎም ወገናት ዝተፈጸመ ግህሰታት ብቅሉዕ ክምርመር ከፍቅዱ፡ ከምኡ`ውን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭት ብልዝብ ክፈትሑ ዳግም ንጽውዕ ኢሉ`ሎ። ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኩሎም ወገናት ተጻብኦታት ከቛርጹ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይዕንቅፋት ክበጽሕ ከፍቕዱ ከምኡ'ውን ንዝተፈጸሙ ግፍዒታትን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ምርመራ ክካየድ ንምፍታሕ'ቲ ግጭት ልዝብ ክካየድን ጸዊዑ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%9A-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%95%E1%8C%B8%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%9E%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%89-%E1%8C%8D%E1%8D%8D%E1%8B%92%E1%89%B3%E1%89%B5\/6521380.html"} {"headline":"ክልል ትግራይ መብጽዓ ዝተኣትዎ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይምቕጻሉ ይሕብር","content":"ንሰብኣዊ ተበጻሕነት ክልል ትግራይ ክዉን ንምግባር፡ ብኽልተ ወገናት ዝተገብረ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት እቲ ዝድለ ውጽኢት ይህብ ከም ዘየሎ ክልል ትግራይ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከሲሱ። እቲ መግለጺ ከም ዘምልክቶ ኣብ ዝሓለፈ 14 መዓልታት 26 ናይ ጽዕነት መካይን ጥራይ’የን ኣትየን። ንሰብኣዊ ሓገዝ ምስ ፖለቲካ ክተሓሓዝ ከም ዘይብሉ ዘመልከተ መግለጺ ድማ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተጽዕኖ ክገብር ጸዊዑ። እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ክልል ትግራይ ብወገኑ ንምስላጥ ሓገዛት ድሉው ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ። ብዛዕባ’ዚ ብወገን ክልል ትግራይ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዛጊት ምላሽ ኣይሃበን። ብሰሉስ ሚኒስተር መራኸቢታትን ወሃቢ ቃል መንግስቲን ዝዀኑ ዶ\/ር ለገሰ ቱሉ ብዛዕባኡ ኣብ ዝተሓተትሉ እዋን ግን መንግስቶም ነቶም ናብ ትግራይ ዝኸዳ መካይን ሓገዝ ደረት ከም ዘይገብርን ነቲ ሓገዝ ድማ እቲ መንግስቲ ብዝኽእሎ ደረጃን ከከም ቀዳምነታቱን ክባጻሕ ምዃኑ ኣመልኪቶም። እቶም ወሃብ ቃል ህወሓት ከም ቃሉ ኲናት ደው ኣየበልን ኢሎም’ውን ጠቒሶም ነይሮም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%8B%93-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%8E-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%89%95%E1%8C%BB%E1%88%89-%E1%8B%AD%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%AD\/6520880.html"} {"headline":"ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ኣብ ወልቃይት ጠገዴ ናይ ጅምላ መቓብር ምርካቡ ኣፍሊጡ","content":"ዩኒቨርስቲ ጎንደር ኣብ ከባቢ ወልቃይት ጠገዴ ናይ ጅምላ መቓብር ምርካቡ ኣፍሊጡ። ነቲ ሪፖርት ዘቕረቡ \"ህወሓት ኣብ ወልቃይት ጠገዴን ጠለምትን ኣብ ልዕሊ ተዋላዶ ኣምሓራ ዝፈጸሞ\" ዝበልዎን \"ምጥፋእ ዓሌት\" ክብሉ ዝጸውዕዎን ተግባር ንምጽናዕ ናብቲ ቦታ ዝተላእኸ ናይ ምሁራን ጉጅለ 20 ዝኸውን መቓብራት ምርካቡ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ሓቢሩ'ሎ። እቲ መፅናዕቲ ካብ 1972 ዓ\\ም ክሳብ 2013 ዓ\\ም ከምዝሽፍን ተገሊፁ ኣሎ። ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ድማ ከምዚ ዝበለ ፀብፃብ ንምውፃእ ሳይንሳዊ መፅናዕቲ ምክያድ የድሊ እዩ ኢሉ ኣሎ። ክልል ትግራይ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ \"ንባዕሉ ተበዳሊ ገይሩ ንምቕራብ ይፍትን ኣሎ’’ክብል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ብምኽሳስ \"እቶም ሬሳታት ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ናይ ዝተፈፅመ ቅትለት ግዳያት እዮም\" ኢሉ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%89%A8%E1%88%AD%E1%88%B2%E1%89%B2-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%89%83%E1%8B%AD%E1%89%B5-%E1%8C%A0%E1%8C%88%E1%8B%B4-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8C%85%E1%88%9D%E1%88%8B-%E1%88%98%E1%89%93%E1%89%A5%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%AB%E1%89%A1-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6521077.html"} {"headline":"ነበርቲ ኣብ ዞባ ጉራጌ ዝተኻለሉ 9 ጣብያታት ዝሓተትናዮ ሕቶ ምላሽ ኣይረኸበን ክብሉ ይከሱ","content":"ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ጉራጌ ፍሉይ ወረዳ ብሄረሰብ ማረቆ ብሓይሊ ዝተኸለሉ ትሽዓተ ጣቢያታት ኣብ ውሽጢ ወረዳ ማረቆ ክመሓደሩ ንዝሓተቱዎ ሕቶ ምላሽ ኣይረኸበን ክብሉ ንቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ጥርዓኖም ኣቕሪቦም። ነበርቲ ሕቶ ህዝቢ ብግቡእ ስለዘይምለስን ፖለቲካዊ ተፅዕኖ ስለግበርን ንገልታዕታዕ ምቕልዖምን ገሊፆም።እቲ ሕቶ ስዒቡ ኣብ ማሕበረሰብ ወረዳ ማረቆን መስቃን ዝተፈጥረ ግጭት ብዕርቂ ንምፍታሕ ዝተገበረ ንህዝቢ ዘየሳተፈን ንፖለቲካዊ ረብሓ ንምውዓል ዝተገብረ እዩ ክብሉ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ወቒሶም። ሓላፊት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልላዊ መንግስቲ ደቡብ ሰናይት ሰሎሞን ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ማረቆን መስቃን ዝነበረ ግጭት ብዕርቂ ምዝዛሙ ብምሕባር ናይ ኣወዳድባን ናይ ወሰንን ሕቶታት ግን ናይቲ ክልል መንግስቲ ዲሞክራሲያዊ ብዝኾነ ኣገባብ ንምምላስ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፀን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%8C%89%E1%88%AB%E1%8C%8C-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%88%88%E1%88%89-9-%E1%8C%A3%E1%89%A5%E1%8B%AB%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%89%B0%E1%89%B5%E1%8A%93%E1%8B%AE-%E1%88%95%E1%89%B6-%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%BD-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%8A%B8%E1%89%A0%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8B%AD%E1%8A%A8%E1%88%B1-\/6521237.html"} {"headline":"ቃለ-መጠይቕ ምስ ዶ\/ር መዝገበ በርሀ ኣብ ጉዳይ ዝንኪ ዘሎ ትዅረት ንለበዳ ቫይረስኮሮና","content":"ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ብዙሓት ሃገራት ካብ ቀንዲ መዛረቢ ዛዕባ እናተኣለየ ይመጽእ ኣሎ። ንምዃኑ ብዛዕባኡ ምምሕያሽ ኣሎ ዲዩ ወይስ ምዝንጋዕ’ዩ? ንዶክተር መዝገበ በርሀ ክኢላ ውሽጣዊን ተመሓላለፍቲን ሕማማት ካብ ቴክሳስ ንመደብ ጥዕና ኣዘራሪብናዮ ኣለና። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%89%A0-%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%88%80-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%89%B5%E1%8A%B9%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%88%E1%89%A0%E1%8B%B3-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93\/6519833.html"} {"headline":"ቃለ-መሕትት ምስ ኣብ ከተማ መቐለ ዘኽታማት ቆልዑ ኣብ ምዕባይ ግብረሰናይ ስራሕ ተዋፊራ ትርከብ መምህር","content":"ኲናት ትግራይ ዝፈጠሮ ምምዝባል ንሓያሎ ቆልዑ ኣደዳ ዝኽትምናን ምጕስቓል ገይሩ ኣሎ። ምስቲ ዘሎ ኵሉ ጸገማት፡ ነዚ ሃጓፍ’ዚ ዝመልኡ ዜጋታት’ውን ኣለዉ። መምህር ኢለኒ ገ\/ሄር ሓንቲ ካብኣቶም’ያ ኣበርክቶኣ ብዝምልከት ኣዘራሪብና አለና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%88%95%E1%89%B5%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8B%98%E1%8A%BD%E1%89%B3%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%89%86%E1%88%8D%E1%8B%91-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%89%A3%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%B0%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%89%B0%E1%8B%8B%E1%8D%8A%E1%88%AB-%E1%89%B5%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD-\/6519766.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኦሮምያ አካቢ ሕብረት ኣባገዳታት ምቕታሎም ኣመሓዳሪ'ቲ ወረዳ ሓቢሮም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ወረዳ ጅማ ኦርጆ ኣካቢ ሕብረት ኣባ ገዳታት ማለት ባህላውያን መራሕቲ ዝኾኑ ኣባ ገዳ ራሻ ማርቆስ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ብዕጡቃት ተቀቲሎም ክብሉ ኣመሓዳሪ እታ ወረዳ ንሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም። ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ መንበሪ ገዛ'ቶም ኣካቢ ሕብረት ኣባገዳታት መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ: ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ መንግስቲ 'ሸኔ' ኢሉ ዝጽውዖም ንሳቶም ግን ንገዛእ ርእሶም ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኢሎም ዝጽውዑ ዕጡቃት እዮም ዝበሉ ኣባገዳታት ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ልዝብ ይግበር ክብሉ ሓቲቶም'ለዉ። ወሃቢ ቃል'ቶም ዕጡቃት ምኻኖም ዝገልጹ ውልቀ ሰባት ግን ነቲ ክሲ ነጺጎሞ'ለዉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%89%A2-%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%8C%88%E1%8B%B3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%B3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%B3%E1%88%AA-%E1%89%B2-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B3-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/6519498.html"} {"headline":"ሚ.ትምህርቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈተና12 ክፍሊ ዝምልከት ዝቐርብ ነቐፌታታት ዝተጨበጡ ኣይኮኑን ይብሉ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣካይዳን ውጺኢትን ፈተና 12 ክፍሊ ብዝምልከት ዝቀርቡ ቅሬታታት ዝተጨበጡ ኣይኮኑን ክብሉ ሚኒስትር ትምህርቲ ገሊጾም። ሚኒስተር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ፕሮፈሰር ብርሃኑ ነጋ ናይ ትሸዓተ ኣዋርሕ ጸብጻብ ቤት ዕዮኦም ንባይቶ ወከልቲ ኣብ ዘቅረብሉ ሕቶ ምስ ዘልዓሉ ኣካላት ኣብ ጉዳይ ፈተና ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ እዩ እንተበሉ'ዃ ካብ ሓባሲ ንብዓት ህዝቢ ዶ\/ር እንዳለ ሀይሌ ግን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣይተዘራረብናን ኢሎም። ብዝተታሓሓዘ እቲ ቀንዲ ጸገም ፈተና ምስራቅ ምዃኑ ዝተዛረቡ ፕሮፈሰር ብርሃኑ ነጋ ነቲ ፈተና ኦንላይን ንምሃብ ጻዕሪ ይግበር'ሎ ኢሎም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A-%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8D%88%E1%89%B0%E1%8A%9312-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%88%8A-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%88%AD%E1%89%A5-%E1%8A%90%E1%89%90%E1%8D%8C%E1%89%B3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%A8%E1%89%A0%E1%8C%A1-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8A%AE%E1%8A%91%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%89\/6519547.html"} {"headline":"ኲናት ዝፈጠሮ ምምዝባዕ ወሊድ","content":"ስእነት ቀረባት መድሃኒት፡ ጥሜትን ስነ-ኣእሙራዊ ነውጺን ብዝፈጠሮ ጸገማት፡ ሓያሎ ነፍሰ-ጾራት ክልል ትግራይ ቅድሚ ግዜአን ክሓርሳን ሽግር ዘለዎም ቆልዑ ክወልዳን ብተደጋጋሚ ይርኣያ ኣለዋ። ከምዚ ሽግር ንዝገጠመን ኣደታትን ክኢላታትን ኣዘራሪብናዮም ኣለና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8D%88%E1%8C%A0%E1%88%AE-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%A3%E1%8B%95-%E1%8B%88%E1%88%8A%E1%8B%B5\/6517919.html"} {"headline":"“ዘርኢኹም ካብዚ ቦታ ከነጥፍኦ ኢና፤” ተሓለቕቲ ትካላት ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ሰብኣዊ ግፍዒ ጸብጻብ ኣውጺአን","content":"ተሓለቕቲ ትካላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናልን ህዩማን ራይትስ ዎችን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ተፈጺሙ ብዛዕባ ዝበሉዎ ሰፊሕ ሰብኣዊ ግህሰት ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺኦም ኣለዉ። ትካላት ኣምንስቲን ህዩማን ራይትስ ዎችን ነቲ መጽናዕቲ ካብ ታሕሳስ 2020 ክሳብ መጋቢት 2022 ከም ዘካየድዩዎ ዝገለጹ ክኾኑ ከለው፡ ን427 ዜጋታት ከም ዝሓተቱ’ውን ኣመልኪቶም ኣለዉ። No media source currently available እቲ ሓባራዊ ጸብጻብ ከም ዝጠቕሶ፡ ሰራዊት ክልል ኣምሓራን ሓደስቲ ኣመሓደርቲ ወልቃይትን ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ትግራይ ሰፊሕ ጃምላዊ ቅትለት፡ ምዝራፍን ምቅጻልን ንብረት፡ ምብስባስ፡ መሬቶም ገዲፎም ንጎረቤት ሃገር ክስደዱ ምድፋእን ካልእ ግፍዕታትን ከም ዝፈጸሙ ይጠቅስ። ተወላዶ ትግራይ ኣብቲ ዝነበሩዎ ቦታ ቋንቋኦም ንምዝራብ’ውን ከም ዝተኸልከሉ ዘመልከተ ጸብጻብ፡ ንኽሰድዱ መታን እቲ ዘለዎም ሃብቲ’ውን ከይጥቀሙሉ ከም ዝተኸልከሉን ኰነ ኢልካ ጠምዮም ናብ ካልእ ቦታታት ክግዕዙ ከም ዝተገብሩን የመልክት። እቲ ጸብጻብ ንዕኡ ንምትግባር ድማ ክሳብ መጓዓዓዚ መካይን’ውን ተዳልዩሎም ይብል ። ብሰንኪ’ቲ ዝወረዶም ከበድቲ ጥሕሰታት፡ ሓያሎ ተጋሩ ክስደዱ እኳ እንተ ተገደዱ፡ እቲ ሓባራዊ ጸብጻብ ከም ዘምልክቶ ግን፡ ነቶም ዝተረፉ’ውን ብፍሉይ ንዕኣቶም ዝዓለመ ኣተሓሓዛ ከም ዝግበረሎም ይሕብር። ጸብጻብ ኣምንስቲን ህዩማን ራይትስ ዎችን፡ እቲ ዝተኻየደ ግፍዕታት ደይ-መደይ ኢልካን ብስርዓትን ዝተፈጸመ ከም ምዃኑ መጠን ምስ ገበናት ኲናትን ምጥፋእ ዓሌትን ከም ዝምደብ ይጠቅስ። ጸብጻብ ተሓለቕቲ ትካላት ቀንዲ ፈጸምቲ ግፍዒ ኢሉ ዘቐመጦም ዕጡቓት ሚሊሻ ፋኖን ክልል ኣምሓራን ደኣ ይዅኑ’ምበር፡ ሰራዊት ፈደራል’ውን ነቲ ግህሰት ደው ንኽብል ብዘይ ምኽኣሎም ብምትሕብባር ገበን ወንጂሉዎ ኣሎ። ኣምንስቲን ህዩማን ራይትስ ዎችን ኣብቲ ዘቕረቡዎ ጸብጻብ ነቲ ዝተፈጸመ ግፍዕታት በብመድረኹ ፈላልዮም ኣቐሚጦሞ ኣለዉ። ፈለማ እቲ ኲናት ኣብ ዝጀመረሉ 4 ጥቅምቲ 2020 ንነባሮ ምዕራባዊ ትግራይ ዝዀኑ ተወላዶ ትግራይ፡ ን10 መዓልታት ዝቐጸለ ዝተፈላለየ መጥቃዕቲ ወሪዱዎም። ቀጺሉ ከኣ ይብል እቲ ጸብጻብ፡ ብ9 ጥቅምቲ፡ ተወላዶ ትግራይ ዝዀኑ ግብረ-መልሲ ብምሃብ ኣብ ማይ-ካድራ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጕምቲ ወሲዶም። ነቲ ብወገን ሚሊሻ ትግራይ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝመለሱ ዕጡቓት ሚሊሻ ኣምሓራ’ውን ስለ ዝመለሱ ብድምሩ ካብ ክልቲኡ ወገናት 229 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ መብዛሕትኦም ተወላዶ ኣምሓራ ዝዀኑ 100 ሰባት ድማ ከም ዝቖሰሉ ይጠቅስ። ኣብ ማይ-ካድራ ዝተፈጸመ ቅትለት፡ ድምር-ውጽኢት ናይቲ ዝጸንሐ ምትፍናን ምዃኑ ዘመልከተ ጸብጻብ፡ ነቲ ዝቐጸለ መግሃስታት ነዳዲ ከም ዝወሰኸሉ ኣመልኪቱ። ኲናት ጀሚሩ፡ ኣብ ምዕራባዊ ትግራይ ሓድሽ ምምሕዳር ድሕሪ ምጥያሱ፡ ንተጋሩ ብፍሉይ ዝዓለመ ምጕስቓልን ጃምላዊ ቅትለን ምቕጻሉ እቲ ሓባራዊ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ኣሎ። ኣብ ርእሲ’ቲ ተጋሩ መሬቶም ገዲፎም ንኽሰደዱ ምግዳድ፡ ንሓያሎ’ውን ብጃምላ ቀቲሎም ኣብ ፈለግ ተከዘ ከም ዝደርበዩዎም እቲ ጸብጻብ ይሕብር። ጸብጻብ ኣምንስቲን ህዩማን ራይትስ ዎችን ኣብ መወዳእታ ካብ ዝሃቦ ለበዋታት፡ ቅልጡፍን ዘይሻራዊን ምጽራይ ንኽግበር ክጽውዕ እንከሎ፡ ከም ኣማራጺ’ውን ነቲ ዝካየድ ዘሎ ግፍዒ ደው ንምባል፡ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝምእከል ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ኣብቲ ቦታ ክኣቱ መኺሩ ኣሎ። ንሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን’ውን ንፈጸምቲ በድል ኣብ ቅድሚ ሕጊ ምቕራብን ውሕሰነት ዜጋታት ዝረጋገጸሉ መገዲ ከነዲዩ ኣመልኪቱ ኣሎ። እቲ ብኽልተ ተሓለቕቲ ትካላት ዝቐረበ ጸብጻብ ከም ዝጠቕሶ፡ ክልል ኣምሓራ ነቲ ዝቐረበሉ ክስታት ብምሉእ ነጺጉ “መሰረት-ኣልቦ’”ዩ ክብል መሊሱ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ኣማስያኡ መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ። ነቲ ኣብ ወልቃይት ተፈጺሙ ዝተባህለ ጥሕሰት ብቐረባ ክከታተሎ ምዃኑ ዘመልከተ መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንፈጸምቲ ግፍዒ ዝግበኦም መቕጻዕቲ ክህብ ምዃኑ ኣመልኪቱ። “እንተዀነ” ይብል እቲ መግለጺ፡ እቲ ጉዳይ ውሽጣዊ ብምዃኑ ብናይ ደገ ኣካላት ክተሓዝ ከም ዘይብሉ ከመልክት እንከሎ፡ ፖለቲካዊ ቃና ከይወሃቦ ስክፍታኡ ኣቐሚጡ ኣሎ። እቲ መግለጺ ወሲኹ’ውን ፈደራላዊ መንግስቲ፡ እቲ ሓበሬታ መብዛሕትኡ ካብ ሓደ ብሄር ወገን ዝተኣከበ ብምዃኑ ዓቢ ክፍተት ከም ዘለዎ ነቒፉ። ንወተሃደራት መንግስቲ ዘይግበኦም ስእሊ ከም ዝሃቦም’ውን ሓቢሩ ኣሎ። መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ጸብጻብ ዝወጸሉ እዋን፡ ናብ ክልል ትግራይ ሓገዝ ንምብጻሕ ይስርሓሉ ኣብ ዘሎ እዋን ብምዃኑ ከየጠምዝዞ ስክፍታ ከም ዘለዎ ይጠቅስ። እዚ ጸብጻብ ብመሰረት ሪፖርት ኣምንስቲን ህዩማን ራይት ዎችን ዝተዳለወ'ዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%98%E1%88%AD%E1%8A%A2%E1%8A%B9%E1%88%9D-%E1%8A%AB%E1%89%A5%E1%8B%9A-%E1%89%A6%E1%89%B3-%E1%8A%A8%E1%8A%90%E1%8C%A5%E1%8D%8D%E1%8A%A6-%E1%8A%A2%E1%8A%93-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%88%E1%89%95%E1%89%B2-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%8B%9B%E1%8B%95%E1%89%A3-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%98-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%8C%8D%E1%8D%8D%E1%8B%92-%E1%8C%B8%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%8C%BA%E1%8A%A0%E1%8A%95\/6517639.html"} {"headline":"ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ርብዒ ካብ ህዝቢ ኣፍሪቃ ቅልውላው ሕጽረት መግቢ የንጸላልዎ ከምዘሎ ኣጠንቂቑ","content":"ርብዒ ህዝቢ ኣፍሪቃ ወይካኣ 346 ሚልዮን ህዝቢ፣ ቅልውላው ሕጽረት መግቢ ከምዘጋጠሞ ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ መዓልታዊ ሓንሳብ ከይበልዐ ይሓድር ከምዘሎ፣ እዘን ዝቅጽላ ኣዋርሕ ኣዝየን ሓደገኛ ከምዝኾና መግለጺ ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ። እቲ ቅልውላው፣ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ካብ ሞውሪታንያ ክሳብ ቡርኪናፋሶ፣ ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ካብ ሶማል ክሳብ ኢትዮጵያ ዝተዘርገሐ ከምዝኾነ ዝገለጸ፣ ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፣ ነቲ ቅልውላው ንምቅልባስ ምስ ዓሰርተ ሃገራት ብጽምዶ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ። ግጭትታት፣ ናይ ኣየር ምዝባዕን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ደርቂን ተደማሚሮም፣ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ፣ ዝተፈጥረ ሕጽረት ዝናብ፣ ንብዝሒ ተፈናቀልቲ ብቅጽበት ንክውስኽ ከምዝገበሮ፣ ዋጋ ነዳዲን እኽሊን ንክኸብር ከምዘገደደ እቲ ዜና ይጠቅስ። ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ዓለምለኸ ማሕበር ወርሒን ተሓባቢሮም፣ ኣብ ሶማል፣ ኬንያ፣ ኢትዮጵያ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ሱዳን፣ ናይጀርያ፣ ማእከላይ ኣፍሪቃ፣ ቻድ፣ ኒጀር፣ ቡርኪናፋሶ፣ ማሊን ማውሪታንያን ይነጥፍ ከምዘሎ ሓቢሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%88%95-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%89%80%E1%88%8D-%E1%88%AD%E1%89%A5%E1%8B%92-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%89%85%E1%88%8D%E1%8B%8D%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%88%95%E1%8C%BD%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8B%A8%E1%8A%95%E1%8C%B8%E1%88%8B%E1%88%8D%E1%8B%8E-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8A%A3%E1%8C%A0%E1%8A%95%E1%89%82%E1%89%91\/6516462.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ብዝሒ ናብ ክልል ትግራይ ዝኣትዋ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ደረት ከምዘየለ ገሊጹ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ክልል ትግራይ ብዝሒ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ዝውስኖ ዓቅሚ ለገስቲ እዩ ኢሉ ። ሚኒስትር ኮሚኒከሽን ኢትዮጵያ ዶ\/ር ለገሰ ቱሉ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ናብ’ቲ ክልል ናይ ዝኣትዋ ብዝሒ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ዝተቀመጠ ደረት የለን ኢሎም። ዶ\/ር ለገሰ ቱሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናይ ረድኤት እኽሊ ሸሚቱ ናብ’ቲ ክልል ናይ ምእታው ግዴታ ኣለዎ ንዝብል ክሲ ሓደ ባዓል ስልጣን እቲ ክልል \"መንግስቲ ኣብ ካልኦት ክልላት’ውን ብዝራኣይ ጠለብ ተመርኪሱ፣ ዓቅሚ ብዘፍቀደ ምቅራብ ክቅጽል እዩ\" ክብሉ መልሶም ኣለው። ረድኤት ብኣግባቡ ንክባጻሕ መታን፣ ብወገን ህወሓት ግጭት ደው ከብል ኣለዎ ዝበሉ ዶ\/ር ለገሰ፣ ህወሓት ቃሉ ይትግብር የለን ኢሎም። ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ክልል ትግራይ ዶ\/ር ኣትንኩት መዝገቦ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ \"ረድኤት ዝጻዓና 21 መካይን ብሰላም ኣትየን ከምዝተራገፋ፣ እንተኾነ ዕለታዊ 300 መካይን ናብቲ ክልል ክኣትዋ ይግባእ\" ኢሎም ነይሮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ረድኤት ዝጻዓና መካይን ናብ ትግራይ ንክኣትዋ ዝላዓለ ጻዕሪ ይገብር ከምዘሎ ዝጠቅስ እንተኾነ፣ ዶ\/ር ኣትንኩት ግና ነዚ ብምንጻግ፣ ተራ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንመካይን ካብ ምሕላፍን ዘይምሕላፍን ሰጊሩ፣ ረድኤት እኽሊ ሸሚቱ ክሳብ ምቅራብ እዩ ክሰርሕ ዝግበኦ ነይሩ ምባሎም ይዝከር። ዶ\/ር ለገሰ ግና ንርእይቶ ዶ\/ር ኣትንኩት ኣይተቀበልዎን። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%92-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%8B-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8B%93%E1%8A%93-%E1%88%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8B%B0%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%A8%E1%88%88-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6516336.html"} {"headline":"ሰለስተ ኣዘዝቲ ቤት ማእሰርቲ ዞባ ከማሺ ብዕጡቓት ምጭዋዮም ስድራቤቶም ሓቢሮም","content":"ሰለስተ ኣዘዝቲ ቤት ማእሰርቲ ዞባ ካማሺ ክልል ቤንሻንጉል፣ ዝሓለፈ ሓሙስ ብዕጡቃት ከምዝተጨወዩ፣ ቤተሰብ’ቶም ግዳያት ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም። መንነቶም ክዕቐበሎም ዝሓተቱ ሓደ ወሃቢ ርእይቶ እቲ መጭወይቲ ዝተፈጸመ፣ ኣብ ወረዳ ቦጂ ድርመጂ ጥቃ ዝርከብ ጫካ ከምዝኾነ ሓቢሮም። ሓደ ነባራይ ካማሺ ብወገኑ \"መንግስቲ ኢትዮጵያ ጉጅለ ሽብር ዝብሎ፣ ንባዕሎም ግና ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ዝብሉ ዕጡቃት፣ ቅድሚ ሎሚ’ውን ተደጋጋሚ ተግባር ጭውያ ፈጺሞም እዮም\" ኢሉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%8B%98%E1%8B%9D%E1%89%B2-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%8A%A8%E1%88%9B%E1%88%BA-%E1%89%A5%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8C%AD%E1%8B%8B%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%88%B5%E1%8B%B5%E1%88%AB%E1%89%A4%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/6516352.html"} {"headline":"ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ኦሮምያ ጋዜጠኛ ታምራት ነገራ ብዋሕስ ክፍታሕ ወሲኑ","content":"ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ተኣሲሩ ዝጸንሐ ጋዜጠኛ ታምራት ነገራ፣ ናይ 50 ሽሕ ብር ዋሕስ ከምዝተፈትሐ ተፈሊጡ። ሎሚ ዝተጋበአ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ኦሮምያ፣ ነቲ ጠበቃ ዘቅረቦ ዋሕስ 50 ሽሕ ብር ድሕሪ ምግምጋሙ፣ ጋዜጠኛ ታምራት ንክፍታሕ ከምዝወሰነ እቲ ዜና ይሕብር። ፖሊስ ንታምራት ነገራ ብሽበራ እጥርጥሮ እየ ስለዝበለ፣ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣሲርዎ ከምዝጸንሐ ጠበቅኡ ኣቶ ገመቹ ጉተማ ከምዝገለጸ ወኪልና ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝላኣኸቶ ዜና ይሕብር። ጋዜጠኛ ታምራት ነገራ ዋና አዳላዊ 'ተራራ ኔትዎርክ' ዝተባህለ ናይ መርበብ ሓበሬታ መሓውር ዜና'ዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8B%E1%8B%AD-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B-%E1%89%B3%E1%88%9D%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%90%E1%8C%88%E1%88%AB-%E1%89%A5%E1%8B%8B%E1%88%95%E1%88%B5-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%88%95-%E1%8B%88%E1%88%B2%E1%8A%91\/6516366.html"} {"headline":"ሰናዓይን መሃዛይን ፊሊሞን ኪሮስ","content":"ፊሊሞን ኪሮስ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ከተማ መንደፈራ ተወሊዱ ዝዓበየ ናይ ኤለክትሮኒክስ ተክኒሻን’ዩ። ኣብ ከባቢኡ ንዝርእዮም ሕጽረታትን ጸገማትን ሕብረተሰብ ኣብ ምፍታሕ ዝሕግዙ ሓደስቲ ነገራት ኣብ ምስናዕ ከኣ ይነጥፍ። ነቲ ናይ ስንዓን ምህዞን ስርሓቱ ፡ኣብ ከባቢኡ ካብ ዝረኽቦም ዘገልገሉ ኣቑሑን ኣብ ድኳናት ብቐሊሉ ዝርከቡ ነገራትን ኣወሃሂዱ ከምዝሰርሖ ዝዛረብ መንእሰይ ፊሊሞን፡ ቅድሚ ሕጂ ብርክት ዝበሉ ነገራት ከምዝሰንዐን ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ከኣ በውሑድ ተተካኢ ጸዓት፡ ኣብ ሞባይልን ተመሳሳሊ ናይ ኤለክትሮኒክስ ኣቑሑን፡ ተለቪዥን ንምርኣይ እትሕግዝ መሳርሒት ከም ዝሰንዐን ይገልጽ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%8A%93%E1%8B%93%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%88%83%E1%8B%9B%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8D%8A%E1%88%8A%E1%88%9E%E1%8A%95-%E1%8A%AA%E1%88%AE%E1%88%B5-\/6514829.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ክልል ትግራይ ኣብ ጉዳይ ናብቲ ክልል ዝኣተዋ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን","content":"21 ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ድሕሪ 109 መዓልታት ናብ ክልል ትግራይ ኣትየን ኣለዋ። ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ክልል ትግራይ ዶ\/ር ኣትንኩት መዝገቦ ብዛዕባ እተን ናብ ክልል ትግራይ ኣትየን ዘለዋ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ከምኡ'ውን ንመጻኢ ዘሎ መደባት ሓቢሮም። ዶ\/ር ኣትንኩት ብመሰረት'ቲ ኣብቲ ክልል ዘሎ ኩነታት ኣስታት 300 ሓገዝ ዝጸዓና መካይን መዓልታዊ ናብቲ ክልል ክኣትዋ ከምዘድልይ ሓቢሮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8A-%E1%89%A2%E1%88%AE-%E1%88%95%E1%88%AD%E1%88%BB-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%93%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%8B%8B-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8B%93%E1%8A%93-%E1%88%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-\/6514756.html"} {"headline":"ዕላል ምስ ኣብ ማራቶን ደቡብ ኮርያ ሰለስተ ክብረ ወሰን ዝሰበረት ኤርትራዊት ጎያዪት ናዝሬት ወልዱ","content":"ኣትለት ናዝሬት ወልዱ ተዓዋቲት መበል 12 ውድድር ደይጉ ደቡብ ኮርያ ማራቶን ብምዃን ብሓንሳብ ሰለስተ ክብረ-ወሰን ሰቢራ ኣላ። ኣትለት ናዝሬት ወልዱ ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ ደይጉ ደቡብ ኮርያ ዝተኻየደ ውድድር ንውድድራ ብ 2፡ 21፡ 16 ሰዓት ብምዝዛም ንናይ ገዛእ ርእሳ ክብረ ወሰን፣ ናይ ሃገራን ናይቲ ውድድር ክብረ ወሰንን ብምስባር ዓወት ተጎናጺፋ'ላ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%95%E1%88%8B%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9B%E1%88%AB%E1%89%B6%E1%8A%95-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8A%AE%E1%88%AD%E1%8B%AB-%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%8A%B8%E1%89%A0%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8C%8E%E1%8B%AB%E1%8B%AD%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%8B%9D%E1%88%AC%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%8B%B1\/6514724.html"} {"headline":"ማራቶን ደቡብ ኮርያ -ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያዊያንን ጎየይቲ ተዓዊቶም","content":"ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ዓለምለኸ ውድድር ማራቶን ደይጉ ደቡብ-ኮርያ፡ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ጎየይቲ ኣብቲ ውድድር ተዓዊቶም ኣለዉ: ብፍላይ ኤርትራዊት ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ድማ ኣብቲ ውድድር ሰለስተ ክብረ ወሰን ኣመዝጊባ'ላ። ኣብ ውድድር ማራቶን ደቂ-ተባዕትዮ ኢትዮጵያዊ ጎያዪ ሺፈራ ታምሩ ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ፡ ኣብ ናይ ደቀንስትዮ ድማ ኤርትራዊት ናዝሬት ወልዱ ካብ ተዓዋቲት እቲ ውድድር ኰይና ኣላ። ኣብቲ ናይ ደቂ-ተባዕትዮ ውድድር ኬንያዊ ኣትለት ዲክሰን ቹምባን ሞሮካዊ ሃምዛ ሳህሊን ካልኣይን ሳልሳይን ኰይኖም ኣለዉ። ኣብ ናይ ደቀንስትዮ ድማ ነታ ናይ ውልቂ ግዜኣ ብኣርባዕተ ደቓይቕ ኣማሓዪሻ ዝመርሐት ናዝሬት ወልዱ ስዒበን ኬንያውያን ፓመላ ሮቲክን (Pamela Rotich) ጁዲዝ ጀሩበትን (Judith Jerubet) ካልኣይን ሳልሳይን ክዀና እንከለዋ፡ ኢትዮጵያውያን ኣባበሽ ኣፍወርቅን ኑሪት ሽመልስን ራብዓይን ሓሙሻይን ኰይነን ኣለዋ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%8B%B5%E1%88%AD-%E1%88%9B%E1%88%AD%E1%89%B6%E1%8A%95-%E1%8B%B0%E1%8B%AD%E1%8C%89-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8A%AE%E1%88%AD%E1%8B%AB\/6514297.html"} {"headline":"ዕላል ምስ ሰለስተ ጊዜ ሻምፕዮን 10 ሽሕ ሜትሮ ዝኾነት ኤርትራዊት ፈረንሳዊት ኣትሌት መቅደስ ወልዱ","content":"ኣብ መጋቢት 13,2022 ፡ ኣብ በርሊን ጀርመን ኣብ ዝተኻየደ ናይ 10 ሽሕ ሜትሮ ውድድር ጉያ፡ ኤርትራዊት ፈረንሳዊት መቅደስ ወልዱnንናይ ገዛእ ርእሳ ጊዜ ብ22 ካልኢት ብምምሕያሽ፥ ቀዳመይቲ ኮይና ኣብቲ ውድድር ተዓዊታ`ላ። መቐደስ ኣቐዲማ `ውን ኣብ 2021 ሰለስተ ጊዜ ሻምፕዮን ፈረንሳ ብምዃን ተዓዊታ እያ። ነዚ ናይ በርሊን ውድድር ከምኡ እውን ብዛዕባ ሓፈሻዊ ተመክሮኣ ኣብ ውድድር ጉያ ፈረንሳን ኣዘራሪብናያ ኣለና። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%95%E1%88%8B%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%8C%8A%E1%8B%9C-%E1%88%BB%E1%88%9D%E1%8D%95%E1%8B%AE%E1%8A%95-10-%E1%88%BD%E1%88%95-%E1%88%9C%E1%89%B5%E1%88%AE-%E1%8B%9D%E1%8A%BE%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8D%88%E1%88%A8%E1%8A%95%E1%88%B3%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%88%8C%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%89%85%E1%8B%B0%E1%88%B5-%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%8B%B1\/6511631.html"} {"headline":"500 መትሪክ ቶን ህጹጽ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ትግራይ ኣትየን","content":"ፕሮግራም መግቢ ዓለም ጨንፈር ኢትዮጵያ ብናይ ትዊተር መልእኽቱ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ 500 መትሪክ ቶን ህጹጽ ረድኤትን ሕክምናዊ ቀረባትን ዝጸዓና መካይን ናብ ክልል ትግራይ ምምርሐን ኣፍሊጡ። እቲ ቤት ጽሕፈት ብተመሳሳሊ 1000 መትሪክ ቶን ዝጸዓና መካይን ናብ ክልል ዓፋር ምልኣኹ’ውን ኣመልኪቱ ኣሎ። ወሃብ ቃል ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብተመሳሳሊ፡ ሎሚ ብትዊተር ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና 20 ዓበይቲ መካይን ናብቲ ንሳቶም ዝቆጻጸሩዎ ክልል ትግራይ ምእታወንን ንመቐለ የምርሓ ምህላወንን ጽሒፎም ኣለዉ። ኣይተ ጌታቸው ወሲኾም፡ ንዘይተገደበ ሰብኣዊ ተበጻሕነት ዘውሕስ ኣገባብ ክህሉ ኣዘኻኽሮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%B5%E1%88%AA%E1%8A%AD-%E1%89%B6%E1%8A%95-%E1%88%85%E1%8C%B9%E1%8C%BD-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8B%93%E1%8A%93-%E1%88%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%A8%E1%8A%95\/6511280.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ንምቍራጽ ድምጺ መርማሪት ኮሚተ ሕቡራት ሃገራት ዝገበረቶ ፈተነ ኣይተዓወተን","content":"ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ተፈጺሙ ንዝተባህለ ሰብኣዊ ጥሕሰት፡ ብዘይሻራዊ ኣካል ንምጽራዩ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ምውሳኑ፡ ኢትዮጵያ ንባጀት እታ ኮሚተ ንምዕንቃፍ ዝገበረቶ ፈተነ ትማሊ ሓሙስ ውዱቕ ኰይኑ። ብመሰረት ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ኣብቲ ትማሊ ብሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝተገብረ ድምጺ ምርጫ 27 ሃገራት ነቲ ብኢትዮጵያ ዝቐረበ ሓሳብ ክድግፋ እንከለዋ፡ 66 ብምቅዋም፡ 39 ሃገራት ድማ ድምጺ ተዓቅቦ ብምግባረን እቲ ናይ ባጀት ውሳነ ክሓልፍ ክኢሉ ኣሎ። ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝግበር ምጽራይ ከም ዘይትተሓባበር ደጋጊማ ክትሕብር ዝጸንሐት ኰይና፡ ትማሊ ኣብ ዝነበረ ምርጫ ድምጺ ባጀት’ውን ብመገዲ ዲፕሎማታ ለምለም ፍስሃ ምናለ ኣቢላ እቲ ሓሳብ ፖለቲካዊ መንቀል ዘለዎ’ዩ ክትብል ንምምስራት እታ ኣጻራዪት ኣካል ደጊማ ተቓዊማ። ወሃብ-ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ዱጃሪክ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ትማሊ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ይዅን ካልእ ቦታታት ዝተፈጸመ ሰብኣዊ ጥሕሰት ግድን ክጻረ ኣለዎ” ድሕሪ ምባል ነቲ ኣካል ዝኸውን ባጀት ምጽዳቕ ድማ ኣገዳሲ’ዩ ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8B%95%E1%8A%95%E1%89%93%E1%8D%8D-%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BA-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%88%9B%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B0-%E1%88%95%E1%89%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%89%B6-%E1%8D%88%E1%89%B0%E1%8A%90-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%88%E1%89%B0%E1%89%B5%E1%8A%95\/6511294.html"} {"headline":"ካቢነ ክልል ሶማሌ ብደርቂ ንዝተጎድኡ ነበርቲ ንምሕጋዝ 70 ሚልዮን ብር ምምዳቡ ኣፍሊጡ","content":"ካብነ ክልላዊ መንግስቲ ሶማሌ ብሰንኪ ድርቂ ካብ ገጠር ናብ ከተማ ዝተመዛበሉን ኣብ ውሽጢ ከተማ ኣብ ፀገም ንዝርከቡ ነበርትን ንምሕጋዝ 70 ሚሊዮን ብር መዲቡ።በቲ ድርቂ 1.1ሚሊዮን እንስሳት ዘቤት ምማተንን ልዕሊ 3.6 ሚሊዮን ሰባት ብድርቂ ምጉድኦም እቲ ክልል ኣፍሊጡ ኣሎ ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A2%E1%8A%90-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8C-%E1%89%A5%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%8E%E1%8B%B5%E1%8A%A1-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8C%8B%E1%8B%9D-70-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%B3%E1%89%A1-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6511335.html"} {"headline":"ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣብ መምርሒታት ቫይረስኮሮና ምምሕያሻት ምግባሩ ሓቢሩ","content":"ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣብ መርሒታት ቫይረስኮሮና ገለ ምምሕያሻት ምግባሩ ኣፍሊጡ። ሚንስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት እቲ ሕብረተሰብ ብኮቪድ19 ናይ ምጣዝ ዕድሉ ትሕቲ ሓደ ሚእታዊት ምዃኑ ብምሕባር ዝተወስኑ ምምሕያሻት ከምዝገተበረ ገሊፀን። ካብ ገዛ ወፃኢ እኹል ምዝውዋር ኣየር ኣብ ዘለዎ ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ (ማስክ) ናይ ምግባር ግዴታ ከምዘይህልው: ክታበት ኮቪድ19 ምውሳዶም ዝሕብር ሰነድ ዝሓዙ ሰባት ናይ ምምርማር ግዴታ እውን የብሎምን ይብል። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%92%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%AB%E1%88%BB%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%88%A9-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6511354.html"} {"headline":"ጋዜጠኛታት ኣሚር ኣማንን ቶማስን እንግዳን ብዋሕስ ተፈቲሖም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣሚር ኣማንን በዓል-ሞያ ካሜራ ቶማስ እንግዳን ነፍሲ ወከፎም 60,000 ብር ዋሕስ ተፈቲሖም። ጠበቓ ናይ ክልቲኦም ጋዜጠኛታት ኣቶ ታደለ ገብረመድህን ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ከምዝገለፁዎ ቤት ፍርዲ ናይ ፖሊስን ናይ ጠበቓታት ክርክርን ብምስማዕ ጉዳዮም ኣብ ደገ ኮይኖም ክከራኸሩ ወሲኑ ኣሎ ኢሎም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%9A%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%88%9B%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%89%B6%E1%88%9B%E1%88%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%8B%E1%88%95%E1%88%B5-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%89%B2%E1%88%96%E1%88%9D\/6511471.html"} {"headline":"መሳልል መሃንድስ ምስግና ኢሳያስ","content":"ዋሽንግተን — ካብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ብዓውዲ ምህንድስና ድሕሪ ምምራቑ፡ ንናይ ኤፍ-ኤም ረድዮ ዛራ ኤርትራ ካብ ኣናሎግ ናብ ዲጂታዊ ኣሰራርዓ ሙዚቃ ንኽትሰግር ሰሪሑ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ትካል ሲስኮ፡ ኣብ ምምሕዳር ምምዕባል ሶፍትዌር እትነጥፍ ኣሃዱ ዝመርሕ ዘሎ ምስግና፡ ብዛዕባ ተመኵሮኡን ንኻልኦት ኣብዚ ዓውዲ ዝጽንበሩ ሞያውያንን ዘለዎ ሓሳባት ኣካፊሉ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%B3%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%88%83%E1%8A%95%E1%8B%B5%E1%88%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8C%8D%E1%8A%93-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5\/6510021.html"} {"headline":"ሕርሻ ጣፍ ኣብ ኣመሪካ ልዑል ተቐባልነት ይረክብ'ሎ","content":"ጥንታውነቱ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምዃኑ ዝንገረሉ እኽሊ ጣፍ ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ'ውን ሓዲሽ ተቐባልነት እናረኸበ ይኸይድ ኣሎ። ካብ \"ግሉትን ናጻ\"` ብምዃኑ ተደላይነቱ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጣፍ፡ ሓረስቶት፡ ኣብ ምዕራባውን ማእከላይ ምዕራብን ክፋላት ኣመሪካ ከፍርዩዎ ምጅማሮም ክግለጽ ጸኒሑ`ሎ። ክፍለ ግዝኣት ነቫዳ ፡ በታ ማእከል ኢንዱስትሪ ቁማር ዝኾነት ከተማ ላስ-ቬጋስ`ያ ዝያዳ ትፍለጥ። ሎሚ ግን ኣብዛ ግዝኣት`ዚኣ፡ ገለ ሓረስቶት ንሓደ ተጠላብነቱ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ካብ ግሉትን ናጻ ዝኾነ ጥንታዊ እኽሊ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምፍራይ ክብልጽጉ ይትስፈዉ`ለዉ። ተስፋ ድራር፡ ስድርኡ ኣብ ኤርትራ ጣፍ ክሓርሱ ከለዉ እናሓገዞም`ዩ ዓብዩ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ንክምሃር ናብዚ ናብ ኣመሪካ ምስ መጸ`ምበኣር፡ እቲ ዝዓበየሉ ካብ ጣፍ ዝስራሕ እንጀራ ከም ዝናፈቖ ይገልጽ፡፡ “20 ፓውንድ ዘርኢ ጣፍ ካብ ኤርትራ ኣምጺአ ፡ ኣብ ቀጽሪ`ቲ ዝምሃረሉ ዝነበርኩ ዩኒቨርሲቲ መነሶታ ዘሪኤዮ። ካብኡ ዘፍረኽዎ ድማ ንዝተፈላለዩ ኮለጃትን ዩኒቨርሲታትን ክመራመርሉ ሂበዮም”። ኣቶ ተስፋ ድራር ሕጂ 'ሰላም ፍዱስ' ዝብል ካምፓኒ መስሪቱ፡ ፍርያት ጣፍ ናብ ነጋዶ የከፋፍልን ብኦንላይ ይሸይጥን። እቲ መግቢ ብኸመይ ከምዝስራሕ ድማ ብፍላይ ንዘይፈልጡ የስተምህር። ካብቲ ኣቶ ተስፋ ድራር ዝሓርሶ ዘሎ ከባቢ ውኒማካ ትብሃል ከተማ ነቫዳ፡ ብዙሕ ከይረሓቕካ ድማ 'ፋሉን' ትብሃል ናብ ዶብ ካሊፎርንያ ሸነኽ ካልእ ከተማ`ላ። ኣብኡ 'ደዘርት ዎዋሲስ ጤፍ ኤንድ ግሬየን' ዝብሃል ሕርሻ ዘለዎም ጃን ጌቶን ወዱ ማይልስን፡ ጣፍ ብመካይን ጽዒኖም ናብ ነጋዶ ካሊፎርንያን በብፓውንድ ጌሮም ድማ ናብ ነበርቲ`ቲ ኸባቢን ከምዘከፋፍሉ ይገልጹ። ማይልስ ገቶ ከምዚ ይብል፡\"ነቫዳ ፡ኣይዳሆ ፡ኣሪዞና፡ ደቡባዊ ካሊፎርንያ ዝበሉ ከባብታት ንሕርሻ ጣፍ ዝሰማምዑ`ዮም። ነቲ ናይ ኢትዮጵያ ኩነታት ኣየር ዝመሳሰሉ ይመስለኒ። ጣፍ ዝፈትዎ ብራኸን ውዕይ ዝበለ ኣየርን ኣለዎም።\" ኣብ ዩኒቨርሲቲ ነቫዳ ሪኖ ዝርከቡ ተመራመርቲ ነዚ ደርቂ ዝጻወር እኽሊ ምስቲ ኩነታት ኣየር ከባቢ ዝሰማማዕ እንተኾይኑ ንምፍላጥ ብዕቱብ ይመራመርሉ ኣለዉ። ፕሮፈሰር ጆን ኩሽማን ክኢላ ባዮ-ኬምስትሪ`ዩ፡\"ምዕራባዊ ክፋል ኣመሪካ ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ እናደረቐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ገለ ምስቲ ኩነታት ዝሰማምዑ ኣእኻል ኣተኩሮና ክንገብር ኣገዳሲ ኮይኑ ስለዝረኸብናዮ ኣብ ጣፍ ምርምራትና ቀጺልና ኣለና።\" ባብ ደክስተር ድማ ካልእ ኣብ ከተማ ፋሉን ዘሎ ኣመሪካዊ ሓረስታይ ጣፍ`ዩ። ንሱ፡ ንኣፍራሱ ዝኸውን ስርናይ ስገም ኣላፋልፋ ከፍሪ ዝጸንሐ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ሕጂ ግን ጣፍ`ውን ክዘርእ ጀሚረ ይብል፡ ኣብቲ ካብ ሩባ ካርሰን ዝመጽእ ማይ ተጠቒሙ ዘፍርዮ ሕርሻ ኮይኑ፡\"ኣፍራሰይ ፡ ሓሰር ጣፍ ፈትዮሞ`ለዉ። ምዕር ዝበለ መቐረት ኣለዎ። ድሓር ከኣ ጣፍ ነቶም ኣፍራስ ካብ ኣልፋልፋ ዝሓሸ ጥዕናዊ ጠቕሚ ይህቦም ኣሎ፡ ምኽንያቱ ጣፍ ዘለዎ ካርቦሃይድሬት ትሕት ዝበለ ስለዝኾነ ንጥዕንኦም`ውን ዝሓሸ`ዩ።\" ፕሮፈስር ኩሽማን ኣብቲ ምርምሩ፡ ጣፍ ዘለዎ ምስ ኩነታት ቀልጢፉ ናይ ምልምማድ ባህርይ፡ ንሓረስቶት ነቫዳ ጸጋታት ወሲኽሎም ኣሎ ይብል። \"ጣፍ ንምህርቲ ሕርሻ እንስሳ ልዑል ጠቕሚ ዝህብ ጥራይ ዘይኮነ፡ መኣዛዊ ሃብቲ ከምኡ`ውን ካብ ግሉትን ናጻ ዝኾነ ልዑል ጠቕሚ ስለዘለዎ፡ ንመግብነት ደቂ፡ሰባት`ውን ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ፈሊጥና ኣለና።\" ዕዳጋ ጣፍ ጠለባቱ ካብ ዳያስፖራ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ጥዕና ዘገድሶም ዓማዊል ክሰፍሕ ዝዕዘብ ዘሎ ኣቶ ተስፋ ድራር፡ እቲ ልዑል ፋይበር ዘለዎ ሱፐር ፉድ ማለት ብሉጽ መግቢ፡ ዓለማዊ ተገዳስነት ኣጥርዩ`ሎ ይብል። \"ብጣፍ፡ ከም ኩኪስ፡ ፓንኬክ፡ ግዓት ወይ ፒዛ ዝበሉ መግብታት`ውን ክስራሕ ጀሚሩ`ሎ። ኣብዚ እዋን`ዚ ምስ ፒዛ-ሃት ዝተባህለ እንዳ ፒዛ ንዘራረብ ኣለና፡ ነቲ ካብ ግሉትን ናጻ ዝኾነ ጣፍ ክንህቦም`ሞ ከም ፒዛ ሰሪሖም ክሸጥዎ።\" ኣብ ጣፍ ዘሎ ጠለባት እናወሰኸ ይኸይድ ምሃላዉ ዝተዓዘበ ኣቶ ተስፋ ድራር፡ ብዘይካ ኣብ ነቫዳ ወይ መነሶታ፡ ሕርሻታቱ ናብ ግዝኣታት ካንሳስ: ቴክሳስ ካሊፎርንያ፡ ከምኡ`ውን ግዝኣት ዋሺንግተን የስፍሖ ከምዘሎ ኣፍሊጡ`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95%E1%88%AD%E1%88%BB-%E1%8C%A3%E1%8D%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%88%8D%E1%8B%91%E1%88%8D-%E1%89%B0%E1%89%90%E1%89%A3%E1%88%8D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%8A%AD%E1%89%A5-%E1%88%8E\/6509980.html"} {"headline":"ኲናት ክልል ዓፋር ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ዜጋታት የመዛብል","content":"ኲናት ክልል ትግራይ ናብ ጎረቤት ክልል ዓፋር ድሕሪ ምልሓሙ እናተጋደደ ብሰንኪ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ዜጋታት ካብቲ ክልል ከም ዝተመዛበሉ፡ ንጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብቲ ከባቢ ሓቢሩ። ከም ሓበሬታ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ፡ እቶም ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣትሒዞም ምምዝባል ዝጀመሩ ነባሮ ክልል ዓፋር እንኮላይ ኣብቲ ቦታ ተዓቚቦም ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሄረ-ዓፋር’ዮም። ከም ሓበሬታ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ጸጥታ እቲ ከባቢ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍአ ይመጽእ ብምህላዉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ጥራይ ኣስታት 300-ሽሕ ዜጋታት ክመዛበሉ እንከለዉ፡ ልዕሊ 20-ሽሕ ካብኣቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት’ዮም። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልል ትግራይን ናይ ምቍራጽ ተጻብኦታት ኣዋጅ ደኣ ይገበር እምበር፡ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብሮ ውጽኢት ግን ኣይሃበን። ከም ጸብጻብ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ፡ ድሕሪ’ቲ ናይ ምቍራጽ ተጻብኦታት ዜና፡ ኣብ ክልል ዓፋር እቲ ኲናት ብዝበርትዐ ይቕጽል ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%A8%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A5%E1%88%8D\/6509434.html"} {"headline":"ካብ መስረቲ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ገላሳ ዲልቦ ዓሪፎም","content":"ሓደ ካብ መስረቲ ግንባር ናጻነት ኦሮሞ ዝነበሩ ገላሳ ዲልቦ ድሕሪ ናይ ሓጺር ጊዜ ሕማም ምዕራፎም ግንባር ናጻነት ኦሮሞ ኣፍሊጡ። ገላሳ ዲልቦ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ፍሉጥ ዝነበሩን ኣባል መሪሕነት ግንባር ናጻነት ኦሮሞ ዝነበሩ ኾይኖምን ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 2021 ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ ነጻ ተወዳዳሪ ኾይኖም ቀሪቦም ዝተዓወቱን ክሳብ ዝዓረፍሉ ኸኣ ኣባል ፓርላማ ኢትዮጵያ ዝነበሩን እዮም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቲ \"ሎሚ ኣብቲ ኣዝዩ ዘድልየና እዋን ስኢናዮ\" ኢሎም ኣለዉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%A8%E1%89%B2-%E1%8C%8D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%8A%93%E1%8C%BD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9E-%E1%8C%88%E1%88%8B%E1%88%B3-%E1%8B%B2%E1%88%8D%E1%89%A6-%E1%8B%93%E1%88%AA%E1%8D%8E%E1%88%9D\/6509526.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ዕውታት ቅድድም ብሽክለታ ኣውሮጳን ኣፍሪቃን ቢንያም ግርማይን ሄኖክ ሙሉብርሃንን","content":"ጎብለል ኣፍሪቃ 2022 ዝኾነት ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራን ኣብ ቤልጁም ዝተኻየደ አካል ዎርልድ ቱር ዝኾነ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ቀዳማይ ዝወጸ ቢንያም ግርማይን ድሙቕ ሎሚ ረቡዕ ኣስመራ ኣብ ዝኣተውሉ ድሙቕ ኣቀባብላ ተጌርሎም። ካብ 22 ክሳብ 27 መጋቢት ኣብ ምስሪ ሻርም ኣሽኽ ኣብ ዝተኻየደ መበል 18 ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ብ15 መዳልያታት ጎብለል ኮይና ዝተዓወተት ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ፡ ሎሚ ቅድሚ ቀትሪ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወትሉ ድሙቕ ኣቀባብል ተጌሩላ። ስፖርተኛታት፡ ተማሃሮን ነበርቲ ኣስመራን ከኣ ኣብ ጎደናታት ብምውጻእ ንሃገራዊት ጋንትኦም ዘለዎም ክብርን ሓጎሶምን ብእልልታን ጣቕዒትን ገሊጾም። ሰንበት 27 መጋቢት ኣብ በልጅየም ኣብ ዝተኻየደ ዎርልድ ቱር ናይ ወርቂ ተሸላሚ ብምኳን ናይ ፈለማ ታሪኽ ዘመዝገበ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ’ውን ምስ ሃገራዊ ጋንት ኤርትራ ኣስመራ ኣትዩ’ሎ። ድምጺ ኣመሪካ ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ ነቲ ፈላማይ ኣፍሪቃዊ ተዓዋቲ ቢንያም ግርማይን ዕውት ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022 ሄኖክ ሙሉብርሃንን ኣዘራሪብዎም ኣለዎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%95%E1%8B%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%85%E1%8B%B5%E1%8B%B5%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%88%BD%E1%8A%AD%E1%88%88%E1%89%B3-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%88%AE%E1%8C%B3%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83%E1%8A%95-%E1%89%A2%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%88%9D-%E1%8C%8D%E1%88%AD%E1%88%9B%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%88%84%E1%8A%96%E1%8A%AD-%E1%88%99%E1%88%89%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%83%E1%8A%95%E1%8A%95\/6508319.html"} {"headline":"ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ሴነት ኣመሪካ ንሰነድ S.3199 ኣጽዲቅዎ","content":"ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ሴነት ኣመሪካ ነቲ ንሰላምን ዴሞክራሲን ኣብ ኢትዮጵያ ዝጽውዕ ሰነድ S.3199 ትማሊ ሰሉስ ኣጽዲቅዎ ኣሎ። \"ዕላማ እቲ ሰነድ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወለዐ ውግእ ሰላማዊ መዕለቢ ንክረክብ፣ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ተጸበይቲ ብህጹጽን ብዘይምትዕንቓፍን ንክበጽሕ ከምኡ'ውን ፈጸምቲ ግፍዒ ናብ ሕጊ ንክቀርቡ ዘሕግዝ ከምዝኾነ\" እቲ ውሳነ ይሕብር። ንፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ዝትንትን ኣቶ ላባን ስዩም ብወገኑ \"ብዙሓት ሰባት S.3199 ንኢትዮጵያ በታኒ እዩ ዝብል ዝተጋገየ ገምጋም ኣለዎም። ብኣንጻሩ ንሓድነታ ዘሐይል እዩ\" ይብል። ብዘይካ'ዚ እቲ ብሴነት ኣመሪካ ንክጸድቅ ይስራሓሉ ዘሎ ሰነድ S.3199 ንመንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ኣብ ውግእ ናይ ክልል ትግራይ ተሳትፎ ዘለዎም ክልላት፣ ከምኡውን ንመንግስታት ቱርኪን ዓረብ ኢማራትንን ከምዝምልከት’ውን ኣቶ ላባን ሓቢሩ ኣሎ። መስርሕ ኣፈጻጽማ ምጽዳቕ ሕጊ ኣመሪካ ኣመልኪቱ ክዛረብ ከሎ \"ሴነትን ቤት ምኽሪን ኣመሪካ፣ ኣብ ሓደ ጉዳይ ተዘራሪቦም ነናይ ባዕሎም ሰነዳት ከምዘዳልው፣ ካብኡ፣ ካብ ክልቲኦም ኣብያተ ምኽሪ ዝተወከሉ ኣብ ልዕሊ’ቶም ዝጸደቁ ሰነዳት መኺሮም ሓደ ሓባራዊ ሰነድ ኣዳልዮም ናብ’ቶም ኣብያተ ምኽሪ ከምዝመልስዎን፣ ብክልቲኦም ኣብያተ ምኽሪ ዝጸደቐ ሓባራዊ ሰነድ ናብ ፕረዚደንት ከምዝላኣኽን\" የረድእ። ኣቶ ላባን ስዩም ወሲኹ \"ፕረዚደንት ኣመሪካ ነቲ ካብ ክልቲኦም ኣብያተ ምኽሪ ዝተቐበሎ ሰነድ እንተደልዩ ብፊርምኡ የጽድቆ’ሞ ሕጊ ኣመሪካ ይኸውን፣ እንተዘየለ ድማ ብዘለዎ ስልጣኑ ይነጽጎ\" ይብሉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B4-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%88%B4%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%8A%90%E1%8B%B5-s-3199-%E1%8A%A3%E1%8C%BD%E1%8B%B2%E1%89%85%E1%8B%8E\/6508124.html"} {"headline":"ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ዝነበሩ ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ምምላስ ጀሚሮም","content":"ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ጀሚሮም። ሎሚ ንግሆ ልዕሊ 490 ሰባት ናብ ሃገሮም ዝተመለሱ ክኾኑ ኸለዉ፡ ክሳብ ዝቕጽላ 11 ኣዋርሕ ልዕሊ 100 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ክምለሱ መደብ ከምዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ`ሎ። ካብ መንጎ`ቶም ሎሚ ዝተመለሱ ዜጋታት፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ከቢድ ግዜ ምሕላፎም ድሕሪ ምጥቃስ ሎሚ`ውን ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%8B%91%E1%8B%B2-%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8C%B8%E1%8C%8B%E1%88%9A-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A9-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%B5-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%AE%E1%88%9D\/6507927.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ:ኣብ ዞባ ኮንሶ ዳግማይ ብዝተላዕለ ግጭት 10 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ፡ ኣብ መንጎ ዞባ ኮንሶን ፍሉይ ወረዳ ኣሌየን ዳግም ብዝተላዕለ ግጭት፡ ካብ ክልቲኦም ወገናት 10 ሰባት ምቕታሎም ነበርቲ`ቲ ከባቢ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም። በቲ ግጭት ሓደ በዓል ስልጣን መንግስቲ፡ ክልተ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ደቡብን ሰለስተ ሲቪላትን ዝተቐትሉ ክኾኑ ኸለዉ፡ ኣቐዲሙ ብዝተላዕለ ግጭት ውን ኣርባዕተ ሲቪላት ምቕታሎም ኣፍሊጦም ኣለዉ። እንተኾነ ቁጽሪ ዝሞቱ ዛጊት ምሉእ ንምሉእ ምጽራይ ከምዘይተኻእለ ንዝምልከቶም አካላት ብምጥቃስ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ጸብጺቡ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%8A%AE%E1%8A%95%E1%88%B6-%E1%8B%B3%E1%8C%8D%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-10-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/6507958.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ቤት ፍርዲ ጋዜጠኛ ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣሚር ኣማን ብዋሕስ ክፍታሕ ወሲኑ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ፣ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ብዘይክሲ ተኣሲሩ ዝጸንሐ ጋዜጠኛ ኣሚር ኣማን ኪያሮ፣ ብዋሕስ ንክፍታሕ ቤት ፍርዲ’ታ ሃገር በይኑ። ጋዜጠኛ አሶሴትድ ፕረስ ኣሚር አማን፣ ብኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዝሓለፈ ሕዳር ከምዝተኣሰረ ዝዝከር እዩ። ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ እቲ ጋዜጠኛ ዝተኣሰረ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጉጅለ ፈጠራ ራዕዲ ናይ ዝበሎ ኣካል መራሒ ቃለ ምልልስ ስለዝገበረ እዩ ከምዝብል’ውን እቲ ዜና ይሕብር። ንናይ ውሽጢ ሃገር ሚድያ ዝሰርሕ ጋዜጠኛ ቶማስ እንግዳ’ውን ምስ ኣሚር ኣብ ተመሳሳሊ ጊዜ ተኣሲሩ፣ ተመሳሳሊ ክሲ ከምዝቀረቦ ዝረኸብናዮ ዜና ጠቂሱ ኣሎ። ክልቲኦም ጋዜጠኛታት ብኣዋጅ ህጹጽ እዋን ገበነኛታት እንተተባሂሎም ካብ 7 ክሳብ 15 ዓመት ማእሰርቲ ክብየኖም ከምዝኽእል ፖሊስ ተስፋዬ ኦላኒ ምግላጾም መሓውራት ዜና’ታ ሃገር ሓቢሮም ኣለው። ኤዲተር ኣሶሴትድ ፕረስ ጁሊይ ፔስ ‘ኣሚር ስለዝተፈትሐ ተሓጒስና ኣለና’ ከምዝበለት’ውን ዝረኸብናዮ ዜና ይጠቅስ። ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ኣዳም ሺፍን ሜርይ ጋይ ሳንሎንን፣ ጋዜጠኛ ኣሚር ኣማን ንክፍታሕ ምስ ተሓለቅቲ ጋዜጠኛታት ሓቢሮም መጸዋዕታ ከምዘቅረቡ ዝዝከር እዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B-%E1%8A%A3%E1%88%B6%E1%88%B4%E1%8B%AD%E1%89%B5%E1%8B%B5-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%88%9A%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%88%9B%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%8B%E1%88%95%E1%88%B5-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%88%95-%E1%8B%88%E1%88%B2%E1%8A%91\/6506465.html"} {"headline":"ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኦነግ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ከካይድ ጸዊዑ","content":"ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ግንባር ነጻነት ኦሮሞ (ኦነግ)፣ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ንከካይድ ጸዊዑ። ግንባር ነጻነት ኦሮሞ ብወገኑ ንጻውዒት’ቲ ቦርድ ከምዝተቀበለ፣ ሓላፊ ርክብ እቲ ሰልፊ ኣቶ ለሚ ገመቹ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጹ ኣሎ። ብኣቶ ኣራርሶ ቢቂላ ዝምራሕ ኦነግ ብወገኑ፣ እቲ ቦርድ ዘቅረቦ መጸዋዕታ ተቀባልነት ዘይብሉ እዩ ከምዝበለ ወኪልና ዝላኣኸቶ ሪፖርት ይሕብር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%89%A6%E1%88%AD%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A6%E1%8A%90%E1%8C%8D-%E1%88%93%E1%8D%88%E1%88%BB%E1%8B%8A-%E1%8C%89%E1%89%A3%E1%8A%A4%E1%8A%A1-%E1%8A%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B5-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%91\/6506448.html"} {"headline":"ወሳኒ ጉዳያት ክልል ትግራይ ህወሓት ጥራይ ድዩ? ሕቶ ተቓወምቲ ሰልፍታት ትግራይ","content":"ድሕሪ ኲናት ክልል ትግራይን ስዒቡ ዝመጸ ለውጢን ኣብ ትግራይ ዘለዉ ተነሓናሕቲ ሰልፍታት ብዛዕባ ዘለዎም ቅሬታ ይገልጹ ኣለዉ። ነዚ ዝምልከት ካብ ሰልፊ ባይቶና ንኣይተ ኪዳነ ኣመነ ኣዘራሪብናዮ ኣለና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%88%E1%88%B3%E1%8A%92-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8C%A5%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%B5%E1%8B%A9-%E1%88%95%E1%89%B6-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%88%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/6505103.html"} {"headline":"ድሕሪ ኣዋጅ ምቍራጽ ተጻብኦታት፡ ሰብኣዊ ተበጻሕነት ትግራይ ከመይ ቀጸለ?","content":"ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰብኣዊ ተበጻሕነት ክልል ትግራይ ክብል ተጻብኦ ደው ከም ዘበለ ድሕሪ ምግላጹን ክልል ትግራይ’ውን ነቲ ውሳነ ከም ዝቕበሎን ዘተግብሮን ድሕሪ ምሕባሩ፡ ኵነታት ሓገዝ ከመይ ከም ዘሎ ንምፍላጥ፡ ካብ ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይ፡ ፕ\/ር ኪንደያ ገብረሂወት፡ ኣዘራሪብናዮም ኣለና። ብኻልእ ወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ንኽኣቱ ዕጡቃት ህወሓት ካብ ዝሓዝዎ ከባቢታት ክልል ዓፋር ክወፁ ኣለዎም ኢሉ’ሎ። ሚንስትር ኣገልግሎት ኮሚኒከሽን መንግስቲ ዶ\/ር ለገሰ ቱሉ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ መንግስቲ ንሰብኣዉነት ክበሃል ጎንፂ ግደው ንምባል ድሕሪ ምውሳኑ ዕጡቃት ህወሓት ብሓይሊ ካብ ዝሓዝዎም ከባቢታት ክልል ዓፋር ብዘይምውጽኦም ረድኤት ናብ ትግራይ ክኸይድ ኣይከኣለን ኢሎም። ትማሊ ህወሓት ካብ ዝሓዞም ወረዳታት ክልል ዓፋር ኣብ ሓደ ውግእ ክካየድ ዊዒሉ’ዉን ኢሎም። ጎንፂ ጠጠው ንምባል ተመሳሳሊ ውሳነ ዘሕለፈ ህወሓት ብወገኑ ረድኤት ናብ ትግራይ ንዘይምእታዉ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ተሓታቲ ምግባሩ ቐፂሉ’ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%8C%85-%E1%88%9D%E1%89%8D%E1%88%AB%E1%8C%BD-%E1%89%B0%E1%8C%BB%E1%89%A5%E1%8A%A6%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%89%B0%E1%89%A0%E1%8C%BB%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A8%E1%88%98%E1%8B%AD-%E1%89%80%E1%8C%B8%E1%88%88-\/6505097.html"} {"headline":"ንረቒቕ ሕጊ HR6600ን 3199ን ዝቓወም ሰልፊ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ተኻይዱ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም፣ምርግጋእን ዴሞክራስን ክሰፍን ተፅዕኖ ንምሕዳር ኣባላት ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝብን ሰኔት ኣመሪካን ዘቕረቡዎ HR6600ን 3199ን ዝተባህሉ ረቒቕ ሕግታት ዝተቓወሙ ኢትዮጵያዊያንን ኢትዮጵያዊያን ኣመሪካዊያንን ሎሚ ኣብ ዋሽንግተን ዲስ ናይ ተቓውሞ ሰልፊኣካይዶም። ኣብ ፊት ንፊት ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ዝተኻየደ ሰልፊ ዝተሳተፉ ሰልፈኛታት እቲ ረቂቕ ሕጊ ዘቐመጦም እገዳታት ኣብ ኢትዮጵያ ግጭት ኣብ ክንዲ ዝፈትሕ ነቲ ማሕበረሰብ ንዝገደደ ፀገም ዘቃልዑ እዮም ክብሉ ተቓዊሞምዎ ኣለው። ብኻልእ ወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ዝርኣዩ ፀገማት ክፈትሕ ኣይክኣለን ዝበሉ ኢትዮጵያዊያን ካብ ወፃኢ ድፍኢት ክግበር ከምዘለዎ ብምግላፅ ነቲ ረቂቕ ሕጊ ደገፎም ዝገልጹ'ውን ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%88%A8%E1%89%92%E1%89%95-%E1%88%95%E1%8C%8A-hr6600%E1%8A%95-3199%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%93%E1%8B%88%E1%88%9D-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8B%E1%88%BD%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%89%B0%E1%8A%95-%E1%8B%B2%E1%88%B2-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/6505091.html"} {"headline":"ኦፌኮ: መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ንዘሕለፎ ውሳነ ምቁራጽ ተጻብኦ ኣብ ክልል ኦሮምያ'ውን ክካየድ ጸዊዑ","content":"ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ) መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ግጭት ጠጠው ንምባልን ንሰላም ማዕጾ ንምኽፋትን ዝወሰዶ ውሳነ ኣብ ክልል ኦሮሚያ እውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስድ ፀዊዑ።ኦፌኮ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ሰላምን ምርግጋእን ክሰፍን ብዕቱብ ክሰርሕ ኣለዎ ኢሉ። መንግስቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ክበፅሕ ምስ ሓይልታት ህወሓት ቶኽሲ ጠጠው ንምባል ምውሳኑ ኦፌኮ ንናይ ሰላም ልዝብ ሓደ ስጉምቲ እዩ ኢሉ ከምዝኣምን ገሊፁ ኣሎ። ናይቲ ሰልፊ ኣቦ መንበር ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ውድባዊ ጉባኤ ኦፌኮ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኸፍቱ ከለው ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እዚ ናይ ሰላም ፃውዒት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሓይልታት እውን ክሓውስ ኣለዎ ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A6%E1%8D%8C%E1%8A%AE-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%88%95%E1%88%88%E1%8D%8E-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%88%9D%E1%89%81%E1%88%AB%E1%8C%BD-%E1%89%B0%E1%8C%BB%E1%89%A5%E1%8A%A6-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%91\/6504926.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ዶ\/ር ሓጎስ ኣብርሃ ኣብ ብርሰትን ምብልሻውን ቕርስታት","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝተወልዐ ኲናት፡ ኣብ ቅርስታትን ቅዱስ ቦታታትን ከቢድ ዕንወት ምውራዱ ብሰፊሑ ክዝረብ ጸኒሑ’ዩ። ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ቅርስታት ዝወረደ ብርሰትን ምብልሻውን መጽናዕቲ ዝገበረ ዶክተር ሓጎስ ኣብርሃ ኣባይ ካብ ጀርመን ኣዘራሪብናዮ ኣለና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%88%93%E1%8C%8E%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%B0%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%88%BB%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%89%95%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5\/6545807.html"} {"headline":"ምድላው ዘይቲ ብልዒ ኣብ ገዛ","content":"ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ ንብረት ሸቐጣ-ሸቐጥ ደው ብምባሉ፡ ንህይወት ዜጋታት ብኸቢድ ደኣ ይጽሎ’ምበር፡ ካልኦት ከኣ ነቲ ሽግር ንምፍታሕ ኣብ ምብልሓት ይርከቡ። ሓደ ናይዚ ኣብነት ባዕሉ ኣብ ገዛኡ ዘይቲ ብምድላው ንስድራኡን መቕርቡን ዝኽእል ዘሎ ኣይተ ኣስገዶም ተወልደ ኢዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%8B%92-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%88%E1%8B%9B\/6501718.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ኣቶ ዮሃንስ ኣብራሃ ኣብ ምቑራጽ ተጻብኦታት ፈደራል መንግስቲን ክልል ትግራይን","content":"ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ምቍራጽ ተጻብኦታት ምግባሩ ዝተጠቕሰ ኰይኑ፡ ኣመትን ትጽቢትን እቲ ምቍራጽ ተጻብኦታት ዝምልከት ንኣባል ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ዲፕሎማት ዮሃንስ ኣብርሃ ካብ ካናዳ ኣዘራሪብናዮ ኣሎና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%8B%AE%E1%88%83%E1%8A%95%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%89%91%E1%88%AB%E1%8C%BD-%E1%89%B0%E1%8C%BB%E1%89%A5%E1%8A%A6%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95\/6501725.html"} {"headline":"ክልል ትግራይ’ውን ኣብ ምቍራጽ ተጻብኦታት ምስምማዑ ይገልጽ","content":"ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰብኣዊ ተባጽሕነት ክልል ትግራይ ክዉን ንምግባር ምቍራጽ ተጻብኦታት ምግባሩ ትማሊ ወግዓዊ ድሕሪ ምግባሩ፡ ክልል ትግራይ’ውን ንእለቱ ተግባራዊ ዝኸውን ተዅሲ ደው ናብ ምባል ስጕምቲ ከም ዝወስድ ትማሊ ሓሙስ ኣማስያኡ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ብመገዲ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ኣቢሉ ዝወጸ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ ክልል ትግራይ ብቐደሙ’ውን ናብቲ ኲናት ተገዲዱ’ምበር ብፍታዉ ዘይምእታዉ ድሕሪ ምምልካት፡ ብሰንኪ’ቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢን ንብረትን ዝወረደ መዳርግቲ-ኣልቦ ክሳራ ኣሕዛኒ ተርእዮ ምዃኑ ኣስሚሩ። ብሰንኪ ኲናትን ንዕኡ ስዒቡ ዝመጸ ምቍራጽ ኣገልግሎት ባንክ፡ ሓይሊ ኤለክትሪክ፡ መራኸቢታትን ቀንዲ ሃስያኡ ኣብ ሰለማዊ ህዝቢ’ዩ ነይሩ ክብል ድማ ኣመልኪቱ። እቲ መግለጺ ኣስዒቡ፡ ንሰብኣዊ ተባጽሕነት ንምትግባር፡ “ቅቡል” ንዝበሎ ግዜን ንእለቱ ዝትግበርን ምቍራጽ ተጻብኦታት ከም ዝገበረ ጠቒሱ። ሰብኣዊ ሓገዝ ምስ ፖለቲካ ክትሓናፈጽ ከም ዘይብሉን ብወገኑ ነቲ ጉዳይ ንምትግባር ኵሉ ዝከኣሎ ክገብር ምዃኑ ዝጠቐሰ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ መብጻዓኡ ከተግብር ኣዘኻኺሩ። ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን’ውን ትማሊ ሓጺር ናይ ጽሑፍ መግለጺ ኣውጺኦም ነይሮም። ነቲ ውሳነ ብሓጐስ ከም ዝቕበሎ ዝጠቐሰ መግለጺ ብሊንከን፡ እቲ ኣዋጅ መጀመርታ ናይ ብሕጂ ክመጹ ትጽቢት ዝገበረሎም ኣዎንታዊ ምዕባለታትን ነባሪ ምቍራጽ ተጻብኦታትን ክዀኑ ዘለዎም ተስፋ ኣንቢሮም። ኣመሪካ፡ ንነባሪ ሰላም ከም እትሰርሕ ዘመልከተ እቲ መግለጺ፡ ኵላቶም ኣካላት ናብ መኣዲ ዘተ ክቐርቡን እንኮላይ ድሕነት ዜጋታት ዝምልከት ኣዳላዪ ስጕምቲ ክወስዱን ኣዘኻኺሩ። ኣብ መንጎ’ቶም ብዙሓት ነቲ መግለጺ ብጽቡቕ ዝተቐበሉዎ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ’ውን ብተመሳሳሊ እቲ ኣዋጅ ተግባራዊ ክኸውንን ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም ኵላቶም ወገናት ብግቡእ ንኽበጽሖም ማዕጾ ክኸፍት ዘለዎም ትምኒት ኣመልኪቶም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%89%8D%E1%88%AB%E1%8C%BD-%E1%89%B0%E1%8C%BB%E1%89%A5%E1%8A%A6%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9B%E1%8B%91-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%BD\/6501485.html"} {"headline":"ግብጺ ንኤርትራውያን ምጥራዛ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ይዅንን","content":"ግብጺ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት 31 ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ብዘይ ፍቓዶም ናብ ኤርትራ ምምላሳ ኣዝዩ ከም ዘተሓሰስቦን ንዓለማዊ ውዕላት ዝጥሕስን’ዩ ክብል ኣብ ሎንደን ዝመደበሩ ዓለምለኸ ተሓላቒ ትካል ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ገሊጹ። ከም ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ፡ ካልኦት ተወሰኽቲ 50 ኤርትራውያን’ውን ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ግብጺ ንምስጓግ ይዳለዉ ምህላዎም ድሕሪ ምምምልካት ግብጺ ነቲ ሓሳብ ከተቋርጾ ኣምንስቲ ጸዊዑ ኣሎ። ትካል ኣምንስቲ ቅድሚ ሕጂ ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ምክልባትን ማእሰርቲን ከም ዝጽበዮም ድሕሪ ምጥቃስ፡ ግብጺ ንዝፈረመትሉ ውዓላት ከተኸብርን ነቲ ተግባራት ደው ከተብሎን ኣተሓሳሲቡ። ከም ሓበሬታ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣስታት 21-ሽሕ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ግብጺ ክህሉዉ እንከለዉ፡ መብዛሕትኦም ግን መሰረታዊ መሰላት ስደተኛታት ከም ዝንፈጎም ጠቒሱ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%8C%BA-%E1%8A%95%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8C%A5%E1%88%AB%E1%8B%9B-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%8A%93%E1%88%BD%E1%8A%93%E1%88%8D-%E1%8B%AD%E1%8B%85%E1%8A%95%E1%8A%95\/6501641.html"} {"headline":"ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮምያ 700,000 ሰባት ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም ኮሚሽን ሓደጋን ስግኣትን'ቲ ክልል ገሊጹ","content":"ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ዝረአ ናይ ፀጥታ ፀገም ብዝተኣሳሰር ልዕሊ 700,000 ሰባት ካብ መንበሪኦም ምዝንባሎም ናይቲ ክልል ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕን ኮሚሽን ገሊፁ። ምኽትል ኮሚሽነር'ቲ ኮሚሽን ኣቶ ገረሙ ኦሊቃ እቶም ፍርቂ ሚሊዮን ናይ መግቢ ሓገዝ ዘድልዮም ምዃኖም:እቲ ኮሚሽን ሓገዝ የቕርብ ከምዘሎ ገሊፆም።ኣቶ ገረሙ ዝበዝሑ ተመዛበቲ ካብ ክልቲኦም ናይ ጉጂ ዞባታትን ናይ ምዕራብ ኦሮሚያ ዞባታትን ከምዝኾኑ'ውን ወሲኾም ሓቢሮም ። ናይቲ ክልል ጉዳይ ፀጥታ ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ክልል ኦሮሚያ ዓብይ ኣጀንዳ ዝነበረ ኮይኑ ናይቲ ክልል ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ድሕነትን ኣቶ ሻፊ ሑሴን መንግስቲ ናይቲ ክልል ፀጥታ ናብ ንቡር ንምምላስ ይሰርሕ ከምዘሎ ነቲ ቤት ምኽሪ ተዛሪቦም ነሮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-700-000-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%90%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8C%8D%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6501679.html"} {"headline":"'ኣብ ቤ\/ትምህርቲ ደደቢት ኣብ ልዕሊ ተፈናቀልቲ ዝተፈጸመ ደብዳብ ማዕረ ገበን ኩናት እዩ' ሁማን ራይት ዋች","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ 7 ጥሪ 2022፣ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ፣ ብ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ተፈናቀልቲ ንዘዕቆብሉ ቤ\/ትምህርቲ፣ ብነፋሪት ከምዝደብደበ፣ ተሓላቂ መሰላት ሁማን ራይት ዋች ሎሚ ገሊጹ። ኣብ ልዕሊ’ቶም ተፈናቀልቲ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፋሪት፣ ማዕረ ገበን ኩናት ክኸውን ከምዝኽእል’ውን እቲ ትካል ኣፍሊጡ ኣሎ። ሰብ ኣልቦ ነፋሪት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ከተማ ደደቢት ናብ ዝርከብ ቤ\/ትምህርቲ ኣብ’ቲ ዕለት ሰለስተ ቦምብታት ከምዝተኮሰት፣ ን57 ሰባት ቀቲላ ንካልኦት 24 ድማ ከምዘቁሰለት መግለጺ ሁማን ራይት ዋች ይሕብር። No media source currently available ሁማን ራይት ዋች መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ማዕረ ገበን ኩናት ዝኾነ ተግባር፣ ጽፉፍን ዘይሻራዊን መስርሕ ምጽራይ ንክገብረሉን ንፈጸምቱ ናብ ፍርዲ ንከቅርቦም ጸዊዑ ኣሎ። እቲ ትካል ወሲኹ ናይ ወጻኢ መንግስታት ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ኣብ ውግእ ዝተጸመዱ ኩሎም ወገናት ሰፋሕቲ መግሃስቲታት ይፍጸሙ ምብህላዎም፣ ነቶም ሓይልታት፣ እገዳ መሸጣ አጽዋርን ወትሃደራዊ ደገፍን ክገብሩን እውን ኣዘኻኪሩ ኣሎ። ኪኢላ ሁማን ራይት ዋች ለቲታ በድር ኣብ ልዕሊ ተፈናቀልቲ ዘዕቆብሉ ቤት ትምህርቲ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ደብዳብ ነፋሪት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳዕ ክንደይ፣ ብሕጊ ውግእ ክቅየድ ከምዘይካኣለን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ንዝወርድ ሞት ንከውግድ ከምዘይካኣለን ሓባሪ እዩ ትብል ። ነቲ ሁማን ራይት ዋች ዘውጸኦ መግለጺ ከምዘይራኣይዎ ዝገለጹ ሚኒስትር ኮምኒኬሽን ኢትዮጵያ ዶ\/ር ለገሰ ቱሉ ብወገኖም \"ሓድሽ ዘይኮነን ደጋጊሞም ዝብልዎን ጉዳይ ስለዝኾነ፣ እቲ ጸገም፣ ዕጡቃትን ምልሻን፣ ናይ ሲቪል ክዳን ስለዝለብሱ፣ ሲቪል ስለዝለበሰ ሲቪል መሲልዎም እዩ’ምበር፣ ንሳቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እናወረሩ ዝተራኣዩ ሓይልታት እዮም\" ከምዝበሉ ዝረኸብናዮ ዜና ሓቢሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%A4-%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%B0%E1%8B%B0%E1%89%A2%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8A%93%E1%89%80%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%98-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%89%A5-%E1%88%9B%E1%8B%95%E1%88%A8-%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%8A%95-%E1%8A%A9%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%A5%E1%8B%A9-%E1%88%81%E1%88%9B%E1%8A%95-%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%89%B5-%E1%8B%8B%E1%89%BD\/6499526.html"} {"headline":"'ኣብ ቅትለት ከረዩ ዝተጀመረ ሽምግልና ንተሓታታይነት ክትክእ ወይ ከተዓናቕፍ የብሉን' ኢሰመኮ","content":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ከባቢ ከረዩ ዝተፈጸመ ቕትለት ብዝምልከት ብኣባ-ገዳታት ዝተጀመረ ሽምግልናን መስርሕ ዕርቅን፡ ንተሓታታይነት ገበን ክትክእ ወይ ከተዓናቕፎ የብሉን ክብል ኣተሓሳሲቡ።\\n\\nዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ`ውን ኣብቲ ገበን ተጠርጠርቲ ምዃኖም ዝጠቐሰ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፡ እቲ መስርሕ ፍርዲ ከይተዓናቐፍ ብምጽዋዕ፡ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ማእሰርቲ ዘለዉ ድማ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ይግባእ ኢሉ። ኣማሓዳሪ ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ፡ ንቕትለት ኣባ፡ገዳ ከረዩ ብዝምልከት ኣብ ባይቶ ኦሮሚያ ካብ ኣባላት ባይቶ ሕቶታት ቀሪብሉ መልሲ ሂቡ ኔሩ`ዩ። ኮሚሽነር ኢሰመኮ ዳንኤል በቀለ፡ ዝተጎድኡ ምኽሓስ፡ ዕርቅን ሰላምን ተሓታታይነትን ብሓደ ክትግበሩ ዝኽእሉ ስለዝኾኑ ሓለፍቲ መንግስቲን ዝምልከቶም ኣካላትን ንዝተማልአ ዕርቅን ፍትሕን ብዕቱብ ክሰርሑ ይግባእ ኢሉ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%85%E1%89%B5%E1%88%88%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A3-%E1%8C%88%E1%8B%B3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%A8%E1%8B%A9-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%80%E1%88%98%E1%88%A8-%E1%88%BD%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%88%8D%E1%8A%93-%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%B3%E1%89%B3%E1%8B%AD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%8A%AD%E1%8A%A5-%E1%8B%88%E1%8B%AD-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8A%93%E1%89%95%E1%8D%8D-%E1%8B%A8%E1%89%A5%E1%88%89%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%88%B0%E1%88%98%E1%8A%AE-\/6499472.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰብኣውነት ክብል ግጭት ደው ናይ ምባል ውሳነ ምሕላፉ ኣፍሊጡ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰብኣውነት ክብል ግጭት ደው ንምባል ምውሳኑ ዝገልጽ መግለጺ ኣውጺኡ። እቲ መግለጺ ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ድጋፍ ንዘድልዮም ዜጋታት ዝተሳለጠ ቐረባት ንምብጻሕ ተወሳኺ ስጉምቲ ምውሳድ ኣድላዪ ምዃኑ ኣመልኪቱ`ሎ። ኣብዚ ሰዓት`ዚ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ክልል ትግራይ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ደልዮም ናብ ጎረባብቲ ክልላት ይጉዓዙ ምህላዎም ዝገለጸ`ቲ መግለጺ፡በዚ መሰረት ኣብ ዝለዓለ ሽግር ዝርከቡ ዜጋታት ህይወቶም ንምድሓንን ምክልባት ዜጋታት ንምንካይን ካብዚ ሰዓት`ዚ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ግጭት ደው ናይ ምባል ውሳነ ምሕላፉ ኣፍሊጡ`ሎ። ኣተሓሒዙ፡ እቲ ሰብኣዊ ረድኤት ብዝሰለጠ ኣገባብ ንክበጽሕ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተሓባቢሩ ንምስራሕ ድልው ምዃኑ`ውን ብምጥቃስ እቲ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ዕላምኡ መታን ክበጽሕ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ዕጡቓት ካብ ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ክቑጠቡን ካብቲ ብሓይሊ ሒዞሞ ዘለዉ ከባብታት ጎረቤት ክልላት ክወጹን ንጽውዕ ይብል። እቲ ሎሚ ብሚንስትሪ ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ዝወጸ መግለጺ እዚ ንሰብኣውነት ተባሂሉ ዝግበር ዘሎ ውሳነ ምቁራጽ ተጻብኦታት፡ ንሰብኣዊ ኩነታት ከመሓይሽን፡ ብእኡ ኣቢሉ`ውን ኣብ ቀጻሊ ብዘይ-ተወሳኺ ምፍሳስ ደም ነቲ ግጭት ፍታሕ ከምጽእን ተስፋ ንገብር ኢሉ`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%8A%A8%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%91-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6499371.html"} {"headline":"ወፍሪ ንኣፍሪቃ","content":"ኣብ ካሊፎርኒያ ዝመደበራ ትካል African Diaspora Network (መርበብ ኣፍሪቃውያን ዲያስፖራ)፡ ንኣውፈርቲን ሰብ-ማልን ኣብ ኣፍሪቃ ከውፍሩ እትስርሕ’ያ። ወ\/ሮ ኣልማዝ ነጋሽ መስራቲትን ኣካይዲት ስራሕን'ቲ ትካል ቅድሚ ሕጂ ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ሕርሻ ሽሪምፕ ምስ ዝሰርሑ ኣመሪካዊ ትካል እትዓዪ ዝነበረት ኰይና ብዛዕባ ስራሓ ኣዘራሪብናያ ኣሎና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%88%E1%8D%8D%E1%88%AA-%E1%8A%95%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83\/6497688.html"} {"headline":"ባህላዊ መግቢ ዓሳ “ሞፋ” እተዳሉ ቤት መግቢ ሰላም ምጽዋዕ","content":"ቤት መግቢ ሰላም ምጽዋዕ፡ ብእተዳልዎ ባህላዊ መግቢ ዓሳ ‘ሞፋ’ እትልለ ቤት መግቢ’ያ። ካብ ዝተመስረተትሉ 1930ታት ጀሚራ ን90 ዓመታት ኣብ ስድራ-ቤት እንዳተሰጋገረትት ንሰለስተ ወለዶ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ከምትርከብ ወናኒኣ ኣቶ ማሕሙድ ኣቡበከር ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቦም። እዛ ብስድራ-ቤት እትካየድ ቤት መግቢ ዝተፈላለዩ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ዓሳታት ብዘይ ዘይቲ (ቅብኣት) ብፍሉይ ዓይነት ዕንጸይቲ ብምጥባስ ንተገልገልቲ ከም እትቕርብ ኣቶ ማሕሙድ ይዛረቡ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8B%93%E1%88%B3-%E1%88%9E%E1%8D%8B-%E1%8A%A5%E1%89%B0%E1%8B%B3%E1%88%89-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%8C%BD%E1%8B%8B%E1%8B%95\/6497753.html"} {"headline":"ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ ተወልደ ገ\/ማርያም ካብ ስራሖም ተሰናቢቶም","content":"ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኰይኖም ንልዕሊ 10 ዓመታት ዝሰርሑ ኣቶ ተወልደ ገብረማሪያም ብምኽንያት ጥዕና፡ ካብ መዝነቶም ክሰናበቱ ንዝቕረቡዎ ጠለብ፡ ፈጻሚ ቦርድ እቲ መገዲ ኣየር ሎሚ ረቡዕ ኣወንታዊ ምላሽ ሂቡሉ። ንዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ኣመሪካ ዝሕከሙ ዘለዉ ኣቶ ተወልደ፡ ኣመት ጥዕናኦም ክግበሩ ድሕሪ ዘቕረቡዎ ናይ ጥሮታ ጠለብ’ዩ እቲ ምላሽ ሎሚ ጸዲቑ። ኣቶ ተወልደ ንመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ዕዉታት ክትከውን ወሳኒ ተራ ዝተጻወቱ ምዃኖም ዝንገረሎም ኰይኖም፡ ብመሰረት ካብቲ መንገዲ ኣየር ዝወጸ መግለጺ ድማ ንኣታዊ እቲ ትካል ካብ ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ናብ 4.5 ቢልዮን ክዓቢ ከም ዝገበሩ ይጥቀስ። እቲ ብኣቶ ግርማ ወቀ ዝምራሕ ቦርድ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ዛጊት ተካኢ ኣቶ ተወልደ ኣይረቝሐን ዘሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%8A%AB%E1%8B%AB%E1%8B%B2-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%A8%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%8B%B0-%E1%8C%88-%E1%88%9B%E1%88%AD%E1%8B%AB%E1%88%9D-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%96%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%8A%93%E1%89%A2%E1%89%B6%E1%88%9D\/6497743.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ 4.6 ሚልዮን ሰባት ውሕስነት መግቢ ከምዘይብሎም ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ፣ 4.6 ሚልዮን ሰባት ውሕስነት መግቢ ዘይብሎም፣ ክልተ ሚልዮን ድማ ኣብ ከቢድ ሕጽረት መግቢ ከምዝወደቁ፣ ብሕልፊ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ፣ ምብራቅን ማእከላይን ትግራይ ዝበርተዐ ጸገም ከምዘጋጠመ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ፣ ካብ ሓሙሽተ ስድራቤታት እተን ኣርባዕተ ዝተማለአ መግቢ ዘይረኽባ ምዃነን፣ 57 ሚእታዊት ድማ ትሑት መጠን መግቢ ዝረኽቡ ምዃኖም ሓቢሩ። መጽናዕቲ ካብ ዝተኻይደሎም ሰባት እቶም 80 ሚእታዊት ዕዳጋታት ጽቡቅ ይሰርሑ ኣለው ክብሉ ከለው፣ 66 ሚእታዊት ድማ ገንዘብ ኣብ ኢዶም ስለዘየለ ክዕድጉን ክሽምቱን ከምዘይከኣሉ ይሕብሩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-4-6-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8B%8D%E1%88%95%E1%88%B5%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6496226.html"} {"headline":"ኣብ ምዕራብ ሸዋ ኣብ መመረቕታ ሚሊሻ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ነታጒ 4 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ምብራቅ ሽዋ፣ ኣብ መመረቕታ ስልጠና ዝወድኡ ሚሊሻ ብሰንኪ ዝተደርበየ ነታጒን ዝወረደ ጉድኣትን ብዝተኣሳሰር፣ ሰለስተ ጥርጡራት ከምዝተኣሰሩ ተፈሊጡ። ኣመሓዳሪ’ቲ ከባቢ ኣቶ መሓመድ በሪሶ በቲ ቀዳም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ንወዲ 12 ዓመት ቆልዓ ሓዊሱ፣ ህይወት ኣርባዕተ ሰባት ምጥፍኡን ብርክት ዝበሉ ምቁሳሎምን ሓቢሩ። ኣብ ምብራቅ ሽዋ ተመሳሳሊ መጥቓዕቲ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ንካልኣይ ጊዜ ከምዝተፈጸመ፣ ዝሓለፈ ቅነ’ውን ኣብ ወረዳ ፈንታሌ ብሰንኪ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ተኹሲ፣ትሸዓተ ሰባት ከምዝተቀትሉን ንፈጸምቱ ንምሓዝ ይስራሕ ከምዘሎን ተሓቢሩ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%88%B8%E1%8B%8B-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%88%98%E1%88%A8%E1%89%95%E1%89%B3-%E1%88%9A%E1%88%8A%E1%88%BB-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%8C%92-4-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/6496245.html"} {"headline":"ኤርትራዊ ኣመሪካዊ መሃንድስ ሶፍትወር ምስ ዘዳለዋ ፊደላት ግእዝ እተላሊ ምህዞ","content":"ንቘልዑ ፊደላት ግእዝ እተላልይን ምንባብ ቋንቋ ትግርኛን ኣምሓርኛን እናመሃረት እተዘናግዕ ናይ ኮምፕዩተር ጸወታ ኤርትራዊ ኣመሪካዊ ሶፍትዌር መሃንድስ ፊልሞን ኣብርሃ ምሂዙ። ፊልሞን ነዚ ናይ ኮምፕዩተር ጸወታ መጀመርያ ንደቁ ቋንቋ ትግርኛ መምሃሪ ኢሉ ዘዳለዎ ኮይኑ ድሒሩ ግን ኣብቲ ዓውዲ ካብ ዘለው ሰብ ሞያን ካልኦትን ከምኡ'ውን ካብ ደቁ ብዝረኸቦ ግብረ-መልሲ ነቲ ጸወታ ብናጻ ኣብቲ ንሱ ንመምሃሪ ኢሉ ዘዳልዎ መርበብ ሓበሬታ መና ክርኤቲቭ(Mena Creative) ከም ዝዘርግሖ ይዛረብ። እቲ ጸወታ ካብ ምልላይ ፊደላትን ምንባብን ሓሊፉ ቈልዑ ባህሊን ልምዲን ሕብረተሰቦም ክርድኡን ክግንዘቡን ከም ዘኽእል ገይሩ ከም ዝተማሃዘ ፊልሞን የረድእ። ፊልሞን ወሲኹ እዚ ጸወታ፡ ቈልዑ ተቐበልቲ ጥራይ ከይኮኑ ኣብ ምህዞ'ቲ ጸወታ ክሳተፉ ናይ ኮዲንግን ዲዛይን ትምህርቲ ኣብ ዝቕጽል ክፋላት'ቲ ጸወታ ክስዕብ ምዃኑ ይገልጽ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%89%98%E1%88%8D%E1%8B%91-%E1%8A%A5%E1%8A%93%E1%8B%98%E1%8A%93%E1%8C%8D%E1%8B%90%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8D%8A%E1%8B%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8C%8D%E1%8A%A5%E1%8B%9D-%E1%8A%A5%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%88%8A-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%8B%9E\/6495946.html"} {"headline":"ካብ ክልል ትግራይ ተፈናቒሎም ኣብ ቆቦ ተዓቑቦም ዘለው ሰባት ጸገም መሰረታዊ ቀረባት ከምዘለዎም ገሊጾም","content":"ካብ ክልል ትግራይ ተፈናቒሎም ኣብ ሰሜን ወሎ ከተማ ቆቦ ዝተዓቕቡ ሰባት በሰንኪ መሰረታዊ ቀረባት ድጋፍ ይሽገሩ ከምዘለዉ ኣፍሊጦም። እቲ ቁጽሪ ተፈናቐልቲ እናወሰኸ ብምምጽኡ፡ ኣብ ጸጥታን ምክልኻል ገበንን ተጽዕኖ ከምዝፈጠረሎም ድማ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ቆቦ ኣፍሊጡ`ሎ። ካብ መንጎ ኣብ መደበር ፖሊስ ቆቦ ዝተዓቕቡ ኣብ ሚድያ ሽማን ምስላን ክትገልጽ ዘይደለየት ጓልንስተይቲ \"ካብ ከባቢ ዓድግራት`የ መጽየ፡ ብሰንኪ ኩናት ከፊኡና ተሸጊርና ኢና፡ ዝሕግዘና ሰብ ኣይነበረን፡ ኣብኡ ዘሎ ጸገም ህወሓት ዘምጽኦ ጸገም`ዩ፡ ጸሓይ ኣይጠፈአትን፡ ብሰንኪ`ዞም ሰባት`ዚኣቶም ግን ኣብ ጸልማት ኢና ንነብር ኔርና፡ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓባር ንኸይንነብር፡ ከም ኣራዊት ንኽንርኣይ፡ ህዝቢ ትግራይ ንኸይእመን ዝገበርዎ ንሳቶም`ዮም\" ትብል። ሓላፊ ፖሊስ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ምኽትል ኮማንደር ነጋ ድምበሩ፡ ናብታ ከተማ ዝኣትዉ ዘለዉ ክልተ ዓይነት ተፈናቐልቲ ምዃኖም ይገልጽ፡\"ካብ ራያ ኣላማጣ ካብ ራያማን ካብ ኮረምን ካብ ኮፍላን፡ ከምኡ ካብ ከተማ ኣላማጣ፡ ብድምር መጺኡ ዘሎ ተፈናቓላይ ኣስታት 8-ሽሕ ዝኸውን ህዝቢ`ዩ። ሕጂ ካብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ጀሚርና ነስተናግዶ ዘለና ግን ካብ ጫፍ ሽራሮ ጀሚሩ፡ ካብ ራማ ክሳብ ማይ ጨው ዘሎ ከባቢ ዝመጸ'ዩ።\" ካልእ ካብ ሽረ`የ መጽየ ዝበለ ብትግርኛ ዝተዛረበ ሰብ ድማ፡ ንብረቱ ሸይጡ ብመቐለ ጌሩ ናብ ኣላማጣ ካብኡ ድማ ብዋጃ ሽነኽ ብዓረብያ ፈረስ ናብ ቆቦ ከምዝኣተወ ንወኪልና ገሊጽሉ`ሎ። ናይ ክልል ትግራይ ኣተሓባባሪ ርክባት ወጻኢ ምዃኑ ዝገልጽ ኣብ ካናዳ ዝቕመጥ ኣቶ ዮሃንስ ኣብርሃ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ምስ ቤተሰብ ንምርኻብ ካብ ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ወጻኢ መግቢ ደልዮም ከም ስደተኛነት ክምደብ ዝኽእል ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ከምዘየለ ገሊጹ ኔሩ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ቆቦ ምኽትል ኮማንደር ነጋ ድንበሩ ብኻልእ ወገን 44 ዝኾኑ ኤርትራውያን`ውን ኣብኡ ኣትዮም ከምዘለዉ ብምግላጽ፡ ጸላእቲ ሓይልታት ናይ ሓሶት ወረቐት መንነት`ውን ይሰርሑ`ዮም፡ ስለዚ ብእኡ ጥራይ ምርግጋጽ ኣይክኣልን`ዩ ካልእ መረዳእታ እንተዘይተረኺቡ ይብል። ካብ ዓድግራት ተፈናቒለ ዝበለት ትግራወይቲ፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ተወላዶ ትግራይ እቲ ሽግር ንኽብእስ ምኽንያት ኮይኖም ኣለዉ ትብል። ኣብ መወዳእታ ኣብ ቆቦ ዝኣትዉ ዘለዉ ተፈናቐልቲ ቁጽሮም ምስ ነበርቲ ዝመጣጠን ስለዝኾነ፡ እቲ ብዝሒ ተፈናቓሊ ንጸጥታ`ውን ምኽንያት ስግኣት ክኸውን ስለዝኽእል መንግስቲ ካብ ከባቢ ዶብ ናብ ካልእ ከባብታት ከግዕዞም እቲ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ጸዊዑ`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8A%93%E1%89%92%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%86%E1%89%A6-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%89%91%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%8C%88%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%A8%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%89%80%E1%88%A8%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/6494773.html"} {"headline":"ኣብ ቤንሻንጉል ጉምዝ ዝተፈጸመ ቅትለት ዘጻርይ ጉጅለ መርመራ ስራሕ ምጅማሩ ሚ\/ፍትሒ ገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ንዝተፈፀመ ዘስካሕክሕ ቕትለት ናብቲ ቦታ ከይዱ ዝምርመር ጉጅለ ስራሕ ምጅማሩ ተፈሊጡ። ካብ ሚንስትሪ ፍትሕን ፌደራል ፖሊስን ዝተዋፅኡ ኣባላት ዝሓቖፈ ጉጅለ መርማሪ ገበን መርመራ ኣብ ምክያድ ከምዝርከብ ሓላፊ ፕረስ ስክሬታሪያት ሚንስትሪ ፍትሒ ኣቶ ኣወል ሱልጣን ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓደ ብህይወት ዝነበረ ሰብ ቅድም ክብል ምስ ዝተቐተሉ ሰባት ኣስከሬን ኣብ ምቅፃል ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ መንግስትን ካልኦት ሰባትን ምስታፎም ምርግጋፁ ይዝከር። ሸሞንተ ተወለድቲ ትግራይን ክልተ ናይ ጉሙዝ ተወለድትን ብሓይልታት ፀጥታ ብጥይት ምቕታሎምን ሬሳታቶም ድማ ክቃፀል ከምዝተገበረ እቲ ኮሚሽን ገሊፁ ነይሩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%A4%E1%8A%95%E1%88%BB%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%8D-%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%8B%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%98-%E1%89%85%E1%89%B5%E1%88%88%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%8C%BB%E1%88%AD%E1%8B%AD-%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%8C%85%E1%88%9B%E1%88%A9-%E1%88%9A-%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%92-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6494616.html"} {"headline":"ነበርቲ ድሬዳዋ ብናህሪ ዋጋን ሕጽረት ቀረብን ዘይቲ ከምዝተማረሩ ገሊጾም","content":"ነበርቲ ምምሕዳር ድሬዳዋ ኣብታ ከተማ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሕፅረት ዘይቲን ናህሪ ዋጋን ከምዝተማረሩ ገሊፆም። ብተመጣጣኒ ዋጋ ንዕዳጋ ዝቐርብ ዘይቲ እውን ብዝግባእ ንዝተፀገሙ ይበጽሕ ዘይምህላው እቶም ተጠቀምቲ ቅሬትኦም ገሊፆም። ብመንግስቲ ኮታ ወፂእሉ ካብ ፋብሪካ ዘይቲ ንነበርቲ ከተማ ዝከፋፈል ዘሎ መጠን ብኽልተ ሲሶ ምንካዩ ናይቲ ፀገም ምንጪ ምዃኑ ናይታ ከተማ ምምሕዳር ኣፍሊጡ ኣሎ። ሚንስትሪ ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዋጋ ዘይቲ ምንሃሩን ናይ ሕጋውን ዘይሕጋውን ነጋዶ ኣሉታዊ ተራን ንወሰኽ ዋጋ ኣበርክቶ ገይሩ ኣሎ ይብል። ሚንስትር ገንዘብ ኣቶ ኣሕመድ ሺዴ ኣብ ቀፃሊ ብደረጃ ሃገር 150 ሚሊዮን ሊትሮ ዘይቲ ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ንምግዛእ ምውሳኑ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምግላፆም ይዝከር። ኣብ ዕዳጋ ንሓደ ብዓል ሓሙሽተ ሊትሮ ዘይቲ ካብ 650 ክሳብ 1000 ብር ዝሽየጥ ዘይቲ እቲ ምምሕዳር ብ450 ብር ከምዘቕርብ ምስተሰምዐ ካብ ለይቲ ጀሚሩ ክሳብ ምሸት ሪጋ ቀፂሉ ምህላው'ውን ተሓቢሩ'ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%B5%E1%88%AC%E1%8B%B3%E1%8B%8B-%E1%89%A5%E1%8A%93%E1%88%85%E1%88%AA-%E1%8B%8B%E1%8C%8B%E1%8A%95-%E1%88%95%E1%8C%BD%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%88%A8%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%A8%E1%88%A9-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/6494682.html"} {"headline":"ኣብ ምምዕባል ደርፍታት ብሄረ ዓፈር ዝነጥፍ መንእሰይ ስነ ጥበበኛ","content":"ስነ-ጥበበኛ ረሺድ ሑሰን፡ ደርፍታትን ባህልን ብሄረ ዓፈር ኣብ ምልላይን ምምዕባልን ዝሰርሕን ዝጽዕርን ዘሎ መንእሰይ ደራፋይን ዘያማይን’ዩ።ክሳብ ሕጂ 28 ንጽል ደርፍታት ኣበርኪት’ዩ።ኣብ ቀጻሊ’ውን ንባህሊ ብሄር ዓፋር እተላልይ ኣልቡም ኣብ ምስራሕ ከምዝርከብ’ውን ሓቢሩና’ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%84%E1%88%A8-%E1%8B%93%E1%8D%88%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%8C%A5%E1%8D%8D-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%8C%A5%E1%89%A0%E1%89%A0%E1%8A%9B\/6494332.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ መግብን ካልኦት ናውቲ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ናብ ክልል ትግራይ ጉዕዞ ምጅማረን ሓቢሩ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ መግብን ካልኦት ናይ ሓገዝ ናውቲ ዝጸዓና መካይን ናብ ክልል ትግራይ ጉዕዞ ምጅማረን ጉዕዞ ምጅማሮም ገሊፁ። ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ\\ር ቴድሮስ ኣድሓኖም መድሃኒትን ካልኦት ሕክምናዊ ናውትን ናብ ክልል ትግራይ ንክኣትው መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓድ ክህብ ዘይምኽኣሉ ንዘቅረብዎ ክሲ ምስ ህወሓት ብዘለዎም ፖለቲካዊ ርክብ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተጽዕኖ ንምፍጣር ዝገብርዎ ዘለዉ ፈተነ እዩ ክብሉ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም። ትማሊ ሓሙስ ንመግቢ ዘገልግሉ ናውቲ ዝሓዛ 20 መካይን ፅዕነትን ነዳዲ ዝፀዓና ሰለስተ መካይንን ካብ ሰመራ ናብ መቐለ መገዲ ምጅማረን ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣፍሊጡ ። ሰብኣዊ ሓገዛት ረዲኤት ንምዕባይ መዓልታዊ 30 ሓገዝ ዝፀዓና መኻይን ናብቲ ክልል ክኣትዋ ክግበር እዩ ክብል'ውን እቲ መግለፂ ወሲኹ ሓቢሩ። በቲ ካብ ሰመራ ብኣብዓላ ኣቢሉ ናብ ክልል ትግራይ ዘእቱ መገዲ ህወሓት ብዝኸፈቶ ሓድሽመጥቃዕቲ ምዕፃዉ ክገልፅ ዝፀንሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ'ውን ኲናት ደው ዘይምባሉ፣ ሓይልታት ትግራይ ካብ ዝወረርዎም ከባብታት ከምዘይወጹን እንተኾነ ሓላፍነት ወሲዶም ይኸዱ ምህላዎምን ዝገለፁ ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ሓበሬታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶ\/ር ለገሰ ቱሉ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ይገጥምዎ ብዘለዉ ተቃ፟ውሞታትን ህዝቢ ሓዲጉዎ ይስደድ ብምህላዉን ከይፈተወ ክኸፍቶ ዝተገደደ ይመስል ኢሎም። ካብ 7 መጋቢት2014 ጀሚሩ 17 ገበርቲ ሰናይ ትካላት መድሃኒት ሓዊሱ ናውቲ ሕክምናን ቀረባት መግብን ናብ ክልል ትግራይ ከእትዉ ከም ዝተፈቅደሎምን ልዕሊ 11 ዝኮኑ መሓዙት ትካላት 257 ሽሕን 192 ኪሎ ግራም መድሃኒት ፣ ናውትን ሕክምናን ቀረባት መግብን ብመጉዓዝያ ኣየር ምብፀሖም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ ። ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶ\/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብወገኖም ቅድሚ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ህዝቢ ትግራይ ን500 መዓልታት ብሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ተኸቢቡ ምስ ካልእ ዓለም ንኸይራኸብ ተዓፅዩ ከምዝርከብን 83% ህዝቢ ትግራይ ፀገም ውሕስነት መግቢ ከምዘለዎ እንዳተፈልጠ ካብ መፋርቅ፟ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ዝኾነ ዓይነት ሓገዛት ረዲኤት መግቢ ናብ ክልል ትግራይ ከምዘይኣተወን እቲ ቅድም ክብል ኣትዩ ዝነበረ ነዳድን መግብን ይፅንቀቅ፟ ምህላዉ ገሊፆም ። ንመግለፂ ዶ\/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣመልኪቶም ርእይቶኦም ንአገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ዝሃቡ ኮምሽነር ሓደጋን ቅድመ ድልዉነትን ኢትዮጵያ ኣቶ ምትኩ ካሳ ካብ ዝመጽእ ሰኑይ 12 መጋቢት ጀሚሩ ትካል ጥዕና ዓለም ንሓደ ወርሒ ዝኣክል መድሃኒትንን ካልኦት ናውቲ ሕክምናን ናብ ክልል ትግራይ ከጉዓዕዝ ንዘቅ፟ረቦ ሕቶ ሚኒስትር ጥዕና 5 መጋቢት ናይ ድጋፍ ደብዳበ ከምዝሃቦን ትካሎም'ውን ትማሊ ፍቃድ ምሃቡ ኣብሪሆም ። ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣብቲ ናይ ትማሊ መግለፂኡ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዛት ንዝተዋፈሩ ኩሎም ኣካላት ዝጥዕም ኩነታት ብምምዕርራይን ከምኡ'ውን ኣማራፅታት መጉዓዝያ ኣየርን ምድርን ብምስፋሕ ሰብዓዊ ድልየታት ክልል ትግራይ ምላሽ ንምሃብ መንግስቲ ድልው ምዃኑ ኣፍሊጦም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A6%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%8B%8D%E1%89%B2-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8B%93%E1%8A%93-%E1%88%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8C%89%E1%8B%95%E1%8B%9E-%E1%88%9D%E1%8C%85%E1%88%9B%E1%88%A8%E1%8A%95-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6491356.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቕትለት አባላት ሓካይም ብዘይ ዶብ መልሲ ክህብ ፕረዚደንት'ቲ ትካል ጸዊዓን","content":"ፕረዚደንት ትካል ሓካይም ብዘይ ዶብ ኣብ ስፔን ፓውላ ጊል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮነ ኢሎም ንሰለስተ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ምቕታሎም ንዝወፀ ፀብፃብ ዘ ጋዜጣ ኒው ዮርክ ታይምስ(The NewYork Times) መልሲ ክህብ ኣብ ዘውጽእኦ መግለጺ ፀዊዐን። እቲ መግለፂ እታ ጋዜጣ ኣብ 24 ሰነ 2021 ዘጋጠመ መቕተልቲ ሰራሕተኛታት ማሪያ ሀርናንደዝ፣ቴድሮስ ገብረማሪያምን ዮሃንስ ሓለፎምን ቀጥታዊ ትእዛዝ ወታሃደራዊ ኣዛዚ ሓዊሱ ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ምክልኻል ሓላፍነት ከምዝወስዱ ጸብጺቡ'ሎ ይብል። \"ሓካይም ብዘይ ዶብ(MSF) ብዛዕባ እቲ ዘሕዝን ሞት መሳርሕትና ንምፍላጥ ብዘይምቁራፅ ክፍትን ፀኒሑ\" ዝበላ ፓውላ ጊል ኣብ ኣደባባይን ኣብ ክልትኣውን ኣጋጣሚታት ኣብቲ ቅትለት ዝተፈፀመሉ ከባቢ ምስ ዝነበሩ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ፅምዶ ምፅንሐን ገሊፀን።ውፅኢት ምርመራ ናይ ክልቲኦም ወገናት ንስድራታት ማሪያ፣ቴድሮስን ዮሃንስን ከፍልጡ ክንሓትት ፀኒሕና ግን ክሳብ ሎሚ ናብ መቕተልቲ ዘምርሐ ኩነታት ዝምልከት ንጹር ነገር የለን ኢለን። ንሰን ወሲኸን ኣብ መግለፂአን በዚ መሰረት ነቲ ኣብታ ሕማቕ መዓልቲ ዝተፈፀመ ነገር ካብ ኩሎም ኣካላት መብርሂ ንደሊ ኢና ኢለን። ፓውላ ጊል ተመሳሳሊ ዘሕዝን ቅትለት ከይድገም ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ናይ ሕክምና ክንክንን ሓገዝን ዘቕርቡ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ድሕነት እኹል ስጉምቲ ብቕልጡፍ ክትግበር ኣለዎ ኢለን። ፕረዚደንት ዶብ ኣልቦ ሓካይም ፓውላ ጊል\"ናይ ማሪያ፣ቴድሮስን ዮሃንስን ዝኽሪ፣ስቓይ ናይ ቀረባ ስድርኦምን መሳርሕቶም መፀናንዕን መዕፀውን የድልዮ እዩ፤መልሲ ንደሊ ኢና\"ኢለን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%95%E1%89%B5%E1%88%88%E1%89%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8B%AD-%E1%8B%B6%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%8A%AD%E1%88%85%E1%89%A5-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%89%B2-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%93%E1%8A%95\/6491388.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ንኢትዮ ቴሌኮም ብከፊል ናብ ናይ ብሕቲ ዋንነት ምትሕልላፍ ኣናዊሓቶ","content":"ሚንስትሪ ፋይናንስ ኢትዮጵያ ብመንግስቲ ዝውነን ኢትዮ ቴሌኮም ብከፊል ናብ ናይ ብሕቲ ዋንነት ንምትሕልላፍ ዝተታሕዘ መደብ ከምዝተናውሓ ኣፍሊጡ።እቲ ምንዋሕ ጥቡቕ ቁፅፅር ዝገበረሉ ቁጠባ እታ ሃገር ንምኽፋት መንግስቲ ሒዙዎ ዝነበረ ትልሚ'ውን ዘደናጉይ'ዩ። እቲ ሚንስትሪ ብትዊተር ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ዓለምን ኣብ ማክሮ-ኢኮኖሚ ይረአ ዘሎ ቕልጡፍ ምዕባለታትን ለውጥትታትን ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ስጉምቲ ምውሳዱ ሓቢሩ'ሎ። እቲ መግለፂ \"መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ መስርሕ ምትሕልላፍ ናብ ብሕቲ ዋንነት ንምዝዛም ዘይልወጥ መርገፂ ኣለዎ ኣብ ከይዲ ናብ ብሕቲ ንምዛር ብትኹረት ክሰርሕ እዩ’’ይብል ። መንግስቲ ኢትዮጵያ 44 ሚሊዮን ተጠቀምቲ ዘለዎ ኢትዮ ቴሌኮም ንብሕቲ ዋንነት ክፉት ብምግባር ዝበለፀ ተወዳዳራይን ውጽኢታውን ክኸውን ተስፋ ይገብር። ኣብ ሰነ 40 ምእታዊት እቲ ትካል ናይ ምሻጥ መስርሕ ጀሚሩ ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ድማ ንግዱሳትን ከዘራርብን ውጥናት ክርእይ ጀሚሩ።መንግስቲ ምስ ገለ ተጫረቲ ምዝርራቡ'ውን መግለጺ ሚንስትሪ ፋይናንስ'ታ ሃገር ይሕብር። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ድማ ብናይ ናይ ኬንያ ሳፋሪኮም ንዝመራሕ ጥምረት ሓደ ፍቓድ ብ850 ሚሊዮን ዶላር ተዋሂቡ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE-%E1%89%B4%E1%88%8C%E1%8A%AE%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%8A%A8%E1%8D%8A%E1%88%8D-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%8B%8B%E1%8A%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%88%95%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%8D%8D-%E1%8A%A3%E1%8A%93%E1%8B%8A%E1%88%93%E1%89%B6\/6491447.html"} {"headline":"'ኣብ ጉዳይ ዩክሬን ማእከላይ መርገጺ ምሓዝ ኣይክኣልን' ኣምባ. ኣመሪካ ኣብ ሕ\/ሃ","content":"ንወራር ሩስያ ኣብ ዩክሬን ንምዂናን ኣብ ቀረባ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት \"ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ድምጺ ተዓቕቦ ብምሃብ ምስ ዝኾነ ሃገር ከምዘይውግና ንምርኣይ እንተኾነ'ውን ኣብዚ ጉዳይ ግን ከምኡ ዝበሃል ነገር የለን\" ክብላ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማድ ግሪንፊልድ ሎሚ ዓርቢ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየድኦ ቃለ መሕትት ሓቢረን። ንሰን ወሲኸን ሃገራት ኣፍሪቃ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዘስዕቦ ዘሎ ተጽዕኖ ንኽርድኡ ተወሳኺ ስራሕ ክንሰርሕ ይግባእ ኢለ ይኣምን ኢለን። እዚ ኣብ መንጎ ሩስያን ኣመሪካን ወይድማ ኣብ መንጎ ምዕራብን ሩስያን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣይኮነን ፤ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ጎረቤታ ዝኾነት ሃገር ዩክሬን ዝፈፀመቶ ወራርን ኲናትን እዩ ። ነዚ እናረኣኻ ኣብ ወሰን ንካ ኣብ መንጎ ክኣቱ ኣይደልን ምባል ኣይከኣልን ። ከምኡ'ውን ሩስያውያን ነዚ ድምፀ ተዓቅቦ ከም ድጋፍ እዮም ዝወስድዎ ዘለዉ ። ስለዝኾነ እዚ ወራር ኣግባብ ከምዘይብሉ ስጋብ ድማፆም ዘስምዑ ሩስያውያን ነዚ ወራር ደው ኣይከብሉን'ዮም ኢለን። ምናልባት'ውን ፀግዒ ንኽሕዙ ምድፋእ ኣብ ዝሑል ኲናት ዘስዐበሎም መዘዝ ብምስጋእ ከይኸውን ፣ መብዛሕትኣን ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ስርናይ ዝበሉ ምህርትታት ሩስያ ፅግዕተኛ እዮም ምናልባት እዚ ኣብ ውሳንኦም ተጽዕኖ ኣሕዲሩ'ዶ ኸውን ንዝብል ሕቶ ድማ እዚ ዝሑል ኲናት ኣይኮነን ሩስያ ኣብ ልዕሊ ጎረቤታ ዩክሬን ትፍፅሞ ዘላ ወራር እዩ ። ብርግፅ ከም ስርናይ ዝበሉ ካብ ሩስያ ዘእትዋ እንተነበራ'ውን በዚ ዝኻየድ ዘሎ ኲናት ምኽንያት ስርናይ ክረኽቡ ኣይኸእሉን ፣ ካልእ ካብ ኣመሪካን ሃገራት ኣውሮጳን ዝወስድዎም'ውን ውሑዳት ኣይኮኑን ። እዚ ከምኡ ኮይኑ ሩስያ ምስ ኣብ ትሕቲ ሳሃራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ 2021 ዝነበራ ክልቲኣዊ ልውውጣት ንግዲ ናብ ከባቢ ሸውዓተ ቢልዩን ዶላር ዝፅጋዕ ኮይኑ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኣውሮጳን ዝነበረ ምንቅስቃሳት ንግዲ ግን ናብ 44 ቢልየን ዶላር ዝፅጋዕ እዩ ። በዚ መሰረት እዚ ኲናት ኣብ ቁጠባ ኣፍሪቃ ከብፀሖ ንዝኽእል ቁጠባዊ ተጽዕኖ ንምጉዳል ምስ ካልኦት ሃገራት ብምስምማዕ ነቲ ካብ ሩስያ ክረክብዎ ዝነበረ ሸርፊ ወፃኢ ዝሽፍኑ መገድታት ኣብ ዝርከብሉ ኣገባብ ፃዕሪ ንገብር ኣለና ክብላ መሊሰን ። ንኢትዮጵያ ብዝምልከት መብዛሕተአን ሃገራት ምሳኽን ይሰማማዓ እየን ኢትዮጵያ ግን ድምፂ ተዓቅቦ ዘይኮነስ ፈፂማ ድማፃ'ውን ኣይሃበትን እሞ ድማ ነቲ ተግባር ክትኩንኖ ተሰሚዓ እያ ንዝብል ሕቶ እተን ኣምባሳደር ብዓል መን ነይረን ዝተረፋ ዝብል ክምልሶ ኣይክእልን ሓንቲ ሃገር ንሓደ ተወካሊ ጥራሕ ዘለዋ ተወካሊኣ ኮቪድ19 ብምሕማሙ ከድምፅ ከምዘይከኣለ ሰሚዐ ካልእ ምኽንያት'ውን ክህሉ ይኽእል እዩ ኣነ ሕጂ ክብሎ ዝኸእል ግን 141 ሃገራት ኲናት ጠጠው ክብል ድምፀን ዝሃባ ኣለዋና ። ክንድዚ ዓይነት ቁፅሪ ተራእዩ ዘይፈልጥ እዩ ። ኣብ ጎኒ ሰላም ጠጠው ምባለን ከኣ ከምስግነን ይፈቱ ። እዚ መዓልታዊ ንርእዮ ዘለና ዘስካሕክሕ ፍፃመ እዩ ። ደቂ ኣንስዮ ኣብ ሕርሲ እናሃለዋ ዝወልዳሉ ሆስፒታል ሓደጋ ክወርዶ እናረኣኻ ኢደይ ከእቱ ኣይደልን ምባል ኢልካ ደው ኢልካ ምርኣይ ቕኑዕ ኣይመስልንን ኢለን ። ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሴራ ራማፎዛ ንሽምግልና ዘቅ፟ረብዎ ሕቶ ዝድገፍ ድዩ ክብል ንዝቀረበለን ሕቶ ነዚ ጎንጺ ዘህድእ ስጋብ ዝኾነ ካብ ዝኾነ ኣካል ዝመፅእ ፃዕሪ ከምዝድግፋ እያን ገሊፀን ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8B%A9%E1%8A%AD%E1%88%AC%E1%8A%95-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8B%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%8C%88%E1%8C%BA-%E1%88%9D%E1%88%93%E1%8B%9D-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8A%AD%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%95-%E1%88%83\/6491509.html"} {"headline":"ፈጻሚት ጉዳይ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምብጻሕ አካይዳ","content":"ፈጻሚት ጉዳይ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ትሬሲ ጃኮብሰን ሎሚ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብምብጻሕ ኣብ ባህር ዳር ንዝርከብ ጻዕርታት ሰብኣዊ ሓገዝ ተዓዚባ። ብመሰረት ሓበረታ ኤምባሲ ኣመሪካ፡ ምስ ተረባሕቲ ብኣመሪካ ዝምወል ፕሮግራማት ተራኺባ ተዘራሪባ። ንሳ ብተወሳኺ ምስ ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ዶ\/ር ይልቃል ከፍኣለ ዝተራኽበት ክትከውን ከላ ኣብ ኣባ መንገሻ ዝብሃል ቦታ ኣብ ዝርከብ ህዝባዊ ቤት መጻሕፍቲ`ውን እምነ ኩርናዕ ኣመሪካ ብምንባር ከፊታ። እታ ፈጻሚት ጉዳይ ኤምባሲ ኣመሪካ ምስ ፕረዚደንት`ቲ ክልል ኣብ ዝተራኸበትሉ እዋን፡ ኣመሪካ ንኢትዮጵያውያን ትገብሮ ሓገዝ ከምዝቕጽል ብምስማር፡ ግጭታት ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍትሑ፡ ንኹሉ ዝባጻሕ መስመራት ረድኤት ክኽፈት፡ ከምኡ ሰብኣዊ ግፍዕታት ዝፈጸሙ ተሓተቲ ክኾኑ ዝብል ጻውዒት መንግስታ`ውን ኣዘኻኺራ። ኣመሪካ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ኣስታት 900 ሚልየን ዶላር ዝግመት ሰብኣዊ ረድኤት ንኢትዮጵያ ከምዝሃበት ይጥቀስ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%88%E1%8C%BB%E1%88%9A%E1%89%B5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A4%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8C%BB%E1%8B%95%E1%88%AD%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%9A%E1%89%A3\/6489765.html"} {"headline":"\"ቻይና ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝነበረ ዓለምለኸ ጸቕጢ ንምክልኻል ኣገዳሲ ተራ ተጻዊታ'ያ\" ሚ\/ጉ\/ወ ኢትዮጵያ","content":"ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ፡ ቻይና ዝሃበቶ ድጋፍ ዝነኣድ`ዩ ኢሉ። ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎሚ ንሪፖርተራት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን ቻይና ነቲ ጸቕጢ ኣብ ምክልኻል ኣገዳሲ ተራ ተጻዊታ`ያ ኢሉ። ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብቲ መግለጺኡ፡ ሚንስተር ወጻኢ ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን፡ ንፍሉይ ልኡኽ ቻይና ንቀርኒ ኣፍሪቃ ተቐቢሉ ኣብ ዘዘራረበሉ እዋን፡ ቻይና ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝዓርፍ ዝነበረ ዓለማዊ ጸቕጢ መኣዝን ኣብ ምትሓዝ ዝተጻወተቶ ተራ ልዑል ቦታ ዝውሃቦ ምዃኑ ምጥቃሱ ሓቢሩ`ሎ። ኣምባሳደር ዲና ኣብቲ ናይ ሎሚ ጋዜጣዊ መግለጺኡ ብዛዕባ ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝምለሱ ኢትዮጵያውያን`ውን ተዛሪቡ ኔሩ፡ 35 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ናብ ዓዶም ክምለሱ ምምዝጋቦም'ውን ሓቢሩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%BB%E1%8B%AD%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%8B%88%E1%8D%8D%E1%88%AA-%E1%8B%9D%E1%88%83%E1%89%A0%E1%89%B6-%E1%8B%B5%E1%8C%8B%E1%8D%8D-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%8A%A3%E1%8B%B5-%E1%8B%A9-%E1%8A%A2%E1%88%89\/6489580.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ከምዘይክእሉ ሓቢሮም","content":"ኣብ ጉዳይ ክሲ ዋና ዳይሬክተር ሜቴክ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ብዝተሓሓዝ ንምስክርነት ዝተጸውዐን ተኣሲሩ ፍርዲ ቤት ክቐርብ ትእዛዝ ዝተመሓላለፎን ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዝነበረ ሃይለማርያም ደሳለኝ፡ ብኣካል ቤት ፍርዲ ክቐርብ ከምዘይክእል ኣፍሊጡ። ኣቶ ሃይለማርያም ክሳብ ሕጂ ካብ ቤት ፍርዲ ዝበጽሖን ፈሪሙ ዝተቐበሎን መጸዋዕታ ከምዘየለ ኣብ ደብዳቢኡ ድሕሪ ምግላጽ፡ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝጸውዖ ኣብ ዝኾነ ግዜ ምስክርነት ንምሃብ ድልው ምዃኑ ካብ ጠበቓታት ተኸሰስቲ ሓደ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጹ`ሎ። ምስ ክሲ ጀነራል ክንፈ ዳኘው ዝተሓሓዝ ናይ ሕርሻ መሳርሕን ናይ መርከብ ዕድግን ብዝምልከት ሎሚ ናይ ተኸሳሲ ምስክርነት ቃል ክሰምዕ ዝወዓለ ቤት ፍርዲ፡ እቲ ናይ ኣቶ ሃይለማርያም ደብዳበ`ውን ርእይዎ`ሎ። ብተደጋጋሚ መጸዋዕታ በጺሕዎ ክቐርብ ኣይክኣለን ዝተባህለ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዝነበረ ሃይለማርያም ደሳለኝ፡ ተኣሲሮም ክቐርቡ ትእዛዝ ካብ ዝተመሓላለፈሎም ሓደ ምዃኑ ካብ ጠበቓታት ሓደ ሓቢሩ`ሎ።። ኣቶ ሃይለማርያም ግን መጸዋዕታ በጺሑኒ ኣይርከብን ኣብ ዘይበልኩሉ ኩነታት ተኣሲረ ክቐርብ ብቤት ፍርዲ ትእዛዝ ምትሕልላፉ ግቡእ ኣይኮነን ምባሉ ተጠቒሱ`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%88%83%E1%8B%AD%E1%88%88%E1%88%9B%E1%88%AD%E1%8B%AB%E1%88%9D-%E1%8B%B0%E1%88%B3%E1%88%88%E1%8A%9D-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%89%B0%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%96%E1%88%9D\/6489525.html"} {"headline":"ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብዘጋጠመ ጎንጺ ሓያለ ተማሃሮ ምጕድኦም ተሓቢሩ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ኣራት ኪሎን ስድስት ኪሎን ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ መንጎ ተማሃሮ መንነት መሰረት ዝገበረ ጎንጺ ተፈጢሩ ሓያለ ተማሃሮ ከምዝተጎድኡ ስሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ወሃብቲ ርእይቶ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም። እቲ ኣብ መንጎ ተወላዶ ኣምሓራን ኦሮሞን ዝኾኑ ተማሃሮ ብሰንበት ዝተፈጥረ ጎንጺ ቅድሚ ምፍጣሩ ድሮ በዓል ዓድዋ ጸገም ምንባሩ ዝገለጹ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ መበገሲኡ ብሓደ ዘይተፈልጠ ኣካል ተበቲኑ ተረኺቡ ዝተባህለ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ኦሮሞ ዘቅንዐ ወረቀትን በቲ ሓደ ካልእ ወገን ኸኣ ምስሊ ሃጸይ ሚኒልክ ዘለዎም ካናተራን ካልኦት ኣልባሳትን ኣብ ልዕሊ ዝተኸደኑ ተማሃሮ ዘጋጠመ መጥቃዕቲን እዩ ኢሎም። እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ብዙሓት ተማሃሮ ገና ናብ ትምህርቲ ከም ዘይተመልሱ'ዉን ገሊጾም'ለዉ። ምስቲ ጎንጺ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ቐይዲ ዝኣተው ሸሞንተ ውልቀ ሰባት ተማሃሮ እቲ ዩኒቨርስቲ ዝነበሩ ምኻኖም እቲ ዩኒቨርስቲ ኣፍሊጡ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%89%A8%E1%88%AD%E1%88%B2%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8C%BA-%E1%88%93%E1%8B%AB%E1%88%88-%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%83%E1%88%AE-%E1%88%9D%E1%8C%89%E1%8B%B1%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6488139.html"} {"headline":"ገለ ተቐናቐንቲ ሰልፊታት ኢትዮጵያ ኣብ መስርሕ ምርጫ ኮሚሽን ሃገራዊ ምክክር ዘለዎም ቅሬታ ገሊጾም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣባላት ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽኽር ዝተመረጽሉ መንገዲ ብዝምልከት ቅሬታ ከም ዘለዎም ገለ ተቀናቀንቲ ሰልፍታት'​ታ ሃገር ይገልጹ። ንሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ ርኢቶኦም ዝሃብዎ ኣመራርሓ ሰልፍታት ኦፌኮን ኢዜማን ኣባላት'ቲ ኮሚሽን ዝተመረጽሉ ኣካይዳ ሓቛፊ ኣይኮነን በዚ ሕጂ ዝተታሕዘሉ መንገዲ ኸኣ ውጺኢታዊ ክኸውን ኢሎም ከም ዘይኣምኑ ገሊጾም። አካቢ እቲ ኮሚሽን ፕሮፈሰር ኣርኣያ ብወገኖም እቲ ኮሚሽን በቲ ክምስረተሉ ዝወጸ ኣዋጅ ኣባላቱ ከም ዝተመረጹ ገሊጾም ድልየት ዘለዎ ኹሉ ኣብ ከይዲ ስራሕ'ቲ ኮሚሽን ክሳተፍ ከምዝኽእል'ውን ሓቢሮም። ኣቦ መንበር ኦፌኮ ፕሮፌሰር መራራ ጉዲና:ምኽትል ኣቦ መንበር ዓረና ትግራይ ንዲሞክራሲን ሉኣላዊነትን ኣቶ ጎይተኦም ጸጋይን ድማ ኣገባብ ምርጫ እቶም ኣባላት ንኹሉ ሓቛፊ ኣይኮነን ኢሎም። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀንዲ ጉዳያት ምርድዳእ ንምፍጣርን ንዝርኣዩ ፍልልያት ኣጽቢብካ ሰላምን ምስፋን ተስፋ ዝተገብረሉ ሃገራዊ መድረኽ ምኽኽር ነቲ ከይዲ ዝመርሑ 11 ኮሚሽነራት ዝሓዘ ኮሚሽን ተመስሪቱ ናይ ሰለስተ ዓመታት ናይ ስራሕ ግዜ ተዋሂብዎ ስርሑ ጀሚሩ እዩ። እንተኾነ ተቀናቀንቲ ሰልፍታት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣካላት ቅረትኦም ይገልጹ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%88%E1%88%88-%E1%89%B0%E1%89%90%E1%8A%93%E1%89%90%E1%8A%95%E1%89%B2-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8A%AD%E1%88%AD-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%85%E1%88%AC%E1%89%B3-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/6487913.html"} {"headline":"ነበርቲ መቐለ ብልጽግና ፓርቲ ኹሎም ኣማራጺታት ሰላም ንምፍታሽ ዘሕለፎ ውሳነ ብዝምልከት ዝሃብዎ ርእይቶ","content":"ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና፡ ኣብ ክልል ትግራይ ሰላም ንምምጻእ ኵሉ ኣማራጺታት ክጥቀም ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ፡ ግብረ-መልሲ ነበርቲን ፖለቲከኛታትን ነበርቲ ከተማ መቐለ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%8C%BD%E1%8C%8D%E1%8A%93-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%B9%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%88%9B%E1%88%AB%E1%8C%BA%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%88%BD-%E1%8B%98%E1%88%95%E1%88%88%E1%8D%8E-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%83%E1%89%A5%E1%8B%8E-%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6\/6486729.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ብሰንኪ መጥቓዕቲን ጥምየትን ክግዕዙ ይግደዱ","content":"ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ዝበጽሓሉ ኩነታት ዉሱን ኣብ ዝኾነሉ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝያዳ መጥቃዕትን ጥምየትን የጋጥሞም'ሎ ክብሉ ትካላት ረድኤት ይገልጹ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%8C%A5%E1%88%9D%E1%8B%A8%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%8C%8D%E1%8B%95%E1%8B%99-%E1%8B%AD%E1%8C%8D%E1%8B%B0%E1%8B%B1-\/6486216.html"} {"headline":"ተሓላቒ ትካል ፕረስ ክለብ ኢትዮጵያ መሰል ጋዜጠኛታት ከተኽብር ይጽውዕ","content":"ዋሽንግተን ዝመደበሩ ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝጣበቕ ናሽናል ፕረስ ክለብ (National Press Club)፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝወርድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ከም ዘተሓሳሰቦ ድሕሪ ምግላጽ፡ ንሰብ-መዚ ኢትዮጵያ ንእሱራት ጋዜጠኛታት ብቕልጡፍ ክፈትሑ ጸዊዑ። እቲ ዘይምኽሰባዊ ትካል ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ጋዜጠኛታት ኣሚር ኣማን ኪያሮ፡ ቶማስ እንግዳን ታምራት ነገራን ገለ ካብቶም ብዘይ ሕጊ ዝተኣስሩ ምዃኖም ድሕሪ ምጥቃስ፡ “ጋዜጠኝነት ገበን ስለ ዘይኰነ፡” ሰብ-ሞያ ግብኦም ክግበሩ ክፍቕዱ ጸዊዖም። እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ወሲኹ፡ ደሞክራሲ ኣብታ ሃገር ስፍራ ንኽሕሉዎ ፕረስ እቲ መሰረታዊ ዓንዲ ስለ ዝዀነ፡ ኢትዮጵያ ንመሰል ናጽነት ፕረስ ክተኽብር ኣተሓሳሲቡ። ኣብ 1908 ዝተመስረተ ዓለምለኸ ትካል ናሽናል ፕረስ ክለብ (National Press Club) ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ልዕሊ 3000 ሞያውያን ዝሓቘፈ’ዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%8B%E1%89%92-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AD%E1%88%88%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8D-%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%8A%BD%E1%89%A5%E1%88%AD-%E1%8B%AD%E1%8C%BD%E1%8B%8D%E1%8B%95\/6486226.html"} {"headline":"ኣብ ዶብ ጋምቤላን ደቡብ ሱዳንን ብዝተፈጥረ ግጭት 9,500 ሰባት ምፍንቃሎም ሓላፊ ፕረስ'ቲ ክልል ሓቢሩ","content":"ብሰንኪ ኣብ ዶብ ጋምቤላን ደቡብ ሱዳንን ብዝተወለዐ ግጭት፣ ልዕሊ 9,500 ኢትዮጵያዊያን ከምዝተፈናቀሉ ተገሊጹ። ሓላፊ ፕረስ እቲ ክልል ኣቶ ኡጌቱ ኣዲንግ ኣብ መንጎ ሓይልታት ደቡብ ሱዳንን ደባይ ተዋጋእቲ ዝሓለፈ ቅነ ብዝተፈጠረ ግጭት፣ ኣብ ዶብ ካብ ዝነብሩ ሰባት፣ ሓደ ኢትዮጵያዊ ከምዝሞተን ሽዱሽተ ሰባት ከምዝቆሰሉን ሓቢሩ። ንመንግስቲ ደቡብ ሱዳን ዝቃወሙ ዕጡቃት፣ ዶብ እናሰገሩ ዘረፋ ከምዘካየዱ'ውን ኣቶ ኡጌቱ ሓቢሩ'ሎ። ንሱ ወሲኹ ንዝተዘረፈ ንብረት ንምምላስ፣ መንግስቲ ሰራዊት ከምዘዋፍርን፣ ንተፈናቀልቲ ረድኤት ንክግበረሎም ይስራሕ ከምዘሎ’ውን ሓቢሩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%B6%E1%89%A5-%E1%8C%8B%E1%88%9D%E1%89%A4%E1%88%8B%E1%8A%95-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%A8-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-9-500-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%8A%95%E1%89%83%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8A-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6486502.html"} {"headline":"“ኣብ መንቀራቕሮ ሓዊ፤ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትግራይን ኲናት ኢትዮጵያን”","content":"ኣብ ቀረባ እዋን ብፕሮፈሰር ዓወት ተወልደ ወልደሚካኤል፡ ይበዪን ሓጎስ ዮሃንስ፡ ሜሮን እስቲፋኖስን ካልእ ንድሕነቱ ስሙ ክዕቅብ ዝመረጸ ተመራመርቲን ዝተኻየደ፡ ልዕሊ 70 ገጻት ዝሓዘ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ተዘርጊሑ ነይሩ። እቲ “Between a rock and a hard place: Eritrean Refugees in Tigray and the Ethiopian War” (ኣብ መንቀራቕሮ ሓዊ፤ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትግራይን ኲናት ኢትዮጵያን) ብዝብል ኣርእስቲ ምስ International Peace Research Association ዝተባህለ ትካል ብምትሕብባር ክዉን ዝዀነ’ዩ። ንኣገባብ እቲ መጽናዕቲ፡ ዕላማን ርኸበትን ኣመልኪትና ንኽልተ ካብቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሜሮን እስቲፋኖስ ካብ ሽወደንን ይበዪን ሓጎስ ካብ ካናዳን ኣዘራሪብና ኣሎና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%80%E1%88%AB%E1%89%95%E1%88%AE-%E1%88%93%E1%8B%8A-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-\/6486181.html"} {"headline":"መግለጺ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ቤንሻንጉል ዝተፈጸመ ቅትለት","content":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ(ኢሰመኮ) ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ሬሳታትን ሓደ ሰብ ብህይወቱን ብሓዊ ከምዝተቓጸሉ ምርግጋጹ ብምምልካት፡ ነቲ ተግባር ኣትሪሩ ኮኒኑ ኣሎ። መንግስቲ’ውን ንፈጸምቲ እቲ ተግባር ዝግበኦም ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ። ኢሰመኮ ንምስክራት ኣዘራሪቡ ከምዘጻረዮ፡ ለካቲት 24 ፣2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ፡ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ዞባ መተከል፡ ጉባ ኣብ ዝተባህለ ወረዳ፥ ኣይሲድ ኣብ ዝተባህለ ቀበሌ፡ ሓደ ብህይወቱ ዝነበረ ሰብ ዝርከቦም ሬሳታት፥ ብሓዊ ናይ ምቅጻል ተግባር ብኣባላት ጸጥታ መንግስትን ካልኦት ሰባትን ምፍጻሙ ኣረጋጊጸ`ለኹ ኢሉ`ሎ። እቲ ኮሚሽን ወሲኹ ነቲ ክስተት መበገሲ ዝኾነ፡ ቅድሚኡ ዝነበረ መዓልቲ፡ ብውሕዱ 20 ኣባላት ጸጥታን ሲቪላትን ብዕጡቓት ከምዝተቐትሉ`ውን ኣረጋጊጸ'ለኹ ይብል ። ኢሰመኮ ነቶም ዝድለዩ ዝነበሩ ቀተልቲ`ዮም ዝተባህሉ ዕጡቓት ኣብ ምሓዝ ኣብ ዝነበረ ፍተሻ፡ ኣብ ቀረባ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዞባ መተከል ተፈቲሖም፡ ናይ ይሕለፍ ፍቓድ ወረቐት ሒዞም ናብ መንበሪኦም ዝተመልሱ ነበርቲ ከባቢ ንዝኾኑ ሸሞንተ ተወለድቲ ትግራይ \"ንስኻትኩም ኢኹም ሓበረታ ብምሃብ እቲ መጥቃዕቲ ንኽፍጸም ዝገበርኩም\" ኢሎም ካብ ዝተሳፍርዋ መኪና ከምዘውረድዎምን፡ ምስ ፈተሽዎም ድማ ሓንቲ ወተሃደራዊ መራኸቢ ረድዮ፡ ዝተፈላለዩ ስእልታትን ልዕሊ 40 ሺሕ ብር ገንዘብን ከም ዝተረኸብሎም ፡ ድሕሪኡ እቶም ኣባላት ጸጥታ ነቶም ተጠርጠርቲ እናሃረሙ ተወሳኺ ሓበረታ ክሓቱ ጀሚሮም ይብል ። ድሕሪ`ዚ ካብ መንጎ`ቶም ተጠርጠርቲ ሓደ ፡\"ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኢድና ኣለዎ፡ ኣብ ባምዛ ከምኡ ኣብ ግልገል በለስ ዝተባህሉ ከባብታት`ውን ናትና ሰባት ኣለዉ\" ምባሉ ስዒቡ፡ እቶም ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ፡ ነቲ ኩነታት ዝተቓወሙ ክልተ ተወላዶ ጉሙዝ ዝርከብዎም 10 ሰባት ተኩሶም ቀቲሎም ዝበለ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ`ዚ እቶም ኣባላት ጸጥታ ኣስከሬናት`ቶም ዝተቐተሉ ሰባት ካብታ ከተማ ውጽእ ኣብ ዝበለ ጫካ ወሲዶም ከንድድዎ ምጅማሮም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣረዲኦም ይብል። ኢሰመኮ ኣብ መንጎ`ዚ ምስቶም ዝተቐትሉ ተጠርጠርቲ ርክብ ኣለዎ ዝተባህለ ሓደ ተወላዲ ትግራይ ዝኾነ ሰብ፡ ኣብታ ዝተሳፈሩላ መኪና ተሓቢኡ ከምዘሎ ብሓበረታ ምስረኸብዎ፡ ብገምድ ኣሲሮም ናብቶም ዝቃጸሉ ዝነበሩ ኣስከሬናት ከምዝጸንበርዎን ብሓዊ ተቓጺሉ ከምዝሞተን እቶም ምስክራት ነቲ ኮሚሽን ገሊጾምሉ ይብል ። ኮሚሽነር ኢሰመኮ ዳንኤል በቀለ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብቲ ኣዝዩ ፈታኒ ዝኾነ ከባብታት ብልዑል መስዋእቲ ንድሕነት ህዝቢ ዝሕልዉ ምዃኖም ክዝንጋዕ ዘይብሉ ህዝባዊ ኣገልግሎት ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ኮይኑ ግን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዝኣተዉ ተጠርጠርቲ ካብ መስርሕ ፍርዲ ወጻኢ ምቕታልን ብፍላይ ድማ ብሓዊ ምቅጻል ፈጺሙ ካብ ኣኽበርቲ ሕጊ ዘይጽበ ግፍዕን ጭካነን ዝመልኦ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ብምዃኑ፡ ንተሓታትነት ሕጊ ንምርግጋጽ፡ ኣብ ልዕሊ ተጠርጠርቲ ግቡእ ናይ ገበን መርመራ ብቕልጡፍ ክግበር ነተሓሳስብ ኢሉ`ሎ። ድምጺ ወያነ ትግራይ ብወገና \"መግለጺ ሓዘን መንግስቲ ትግራይ\" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘሕለፈቶ ፈነወ፡ተስፋሕፋሕቲ ክልል ኣምሓራን ሊሂቃን ሓይልታት ትምክሕትን ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ይነብሩ ዝነበሩ ንፁሃን ደቂ ትግራይ በኣረሜንያዊ ባርበራዊ ኣገባብ ኣቓፂሎም ቐቲሎሞም ኣለዉ፡ ብምባል መንግስቲ ትግራይ ዝተሰመዖ ሓዘን እውን ይገልጽ ዝብል መልእኽቲ ኣሕሊፋ`ላ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ብፈይስቡክ ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ድማ፡ ሓይልታት ጸጥታ ንሰብ ብህይወቱ ብሓዊ ምቅጻሎም ዘሰንብድ`ዩ ድሕሪ ምባል፡ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ምሉእ ተሓታትነት ክህልዎ ንጽውዕ ፡ ከምኡ ድማ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ምሉእን ናጻን ዝኾነ መርመራ ክግበር ንዘቕረቦ ጻውዒት ነመጉስ ኢሉ`ሎ። ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ጽንፈኝነት ሰላም ኮነ ፍትሒ ከምጽእ ኣይክእልን`ዩ ፡ እቲ ተግባር ካብ ኢትዮጵያውነት ባህልን ክብርታትን ከምኡ ካብ ዝኾነ ሰብኣውነት ኣተሓሳስባ ዝሸፈተ ኣዝዩ ኣሰቃቒ ገበን`ዩ ብምባል፥ እቲ `ውጉዝ` ዝበሎ ተግባር ከምዘጻርዮን ኣብ ልዕሊ ነቲ ገበን ዝፈጸሙ ኣድላይ ዘበለ ስጉምቲ ከምዝወስድን ኣፍሊጡ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%A4%E1%8A%95%E1%88%BB%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%98-%E1%89%85%E1%89%B5%E1%88%88%E1%89%B5\/6485109.html"} {"headline":"ግብረ መልሲ ሰልፊታት ንውሳነ ሰልፊ ብልጽግና ንፍታሕ ክልል ትግራይ","content":"ሰልፊ ብልጽግና ናይ ክልል ትግራይ ጉዳይ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ዘሕለፎ ውሳነ ከምዝድግፉ ዝገለጹ ተወዳደርቲ ሰልፊታት ኣብ ግብራውነቱን መስርሕን ግን ሕቶ ከምዘለዎም ገሊፆም። ናብ ኵናት ዝተኣተወሉ ኣገባብ ጌጋ ምንባሩ ዝገለፁ ኣቦ መንበር ኦፌኮ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ሕጂ እውን ሰላማዊ ፍታሕ ብትኹረት ክስርሓሉ ይግባእ ኢሎም። ፕሮፌሰር መረራ ወሲኾም ንናይታ ሃገር መንግስቲ ኣብ ምምራሕ ዝርከብ ሰልፊ ብልፅግና ንናይ ካልኦት ሓሳብ ንምቕባል ድልው ብዘይምዃኑ ኣብታ ሃገር ንዝተፈጥረ ቅልውላው ሓደ ምኽኒያት እዩ ኢሎም ። ምኽትል ኣቦ መንበር ሰልፊ ዓረና ኣቶ ጎይትኦም ፀጋይ ድማ እቲ ውሳነ ብቅልጡፍ ክትግበር ብምሕታት ኣብ ግብራዊነቱ ጥርጣረ ከምዘለዎም ሓቢሮም። ሓላፊ ውዳባዊ ጉዳያት ኢዜማ ኣቶ ዋሲሁን ተስፋየ ድማ ንናይ ብልፅግና ውሳነ እንተደገፉ እውን ውፅኢት ናይቲ ኵናት ከይተፈልጠ ተወሲዱ ዝበሉዎ መርገፂ ከምዘይቕበሉዎ ተዛሪቦም። ሰልፊ ብልፅግና ኣብ ዘካየዶ ፈላማይ ጉባኤኡ \"ህዝቢ ትግራይ ይኸፍሎ ኣሎ’’ዝበሎ \"ዘይግቡእ ዋጋ’’ ንምትራፍ ኩሎም አማራጺታት ሰላም ንምፍታሽ ምስምምዑ ኣፍሊጡ ኣሎ።ኣብዚ ጉዳይ ካብ ብልፅግና ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ዝተኻየደ ፈተነ ኣይተዓወተን። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣተሓባባሪ ዝምድናታት ወጻኢ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣቶ ዮሃንስ ኣብርሃ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ብድምጺ ኣመሪካ መደብ ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝተሓተቱሉ፡ ጀማሪ እቲ ኲናት ባዕሉ ፈደራል መንግስቲ’ዩ ድሕሪ ምባል፡ ሓይልታት ትግራይ ድማ ንሰላም ዘለዎ ድሉውነት ካብቲ ዝሓዞ ቦታታት ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ብምልቃቕ ከም ዘመስከረ ኣመልኪቶም፡ ሕጂ’ውን ክልል ትግራይ ነባሪ ሰላም ንምምጻእ ድሉው ምዃኑን ጠቒሶም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%8C%BD%E1%8C%8D%E1%8A%93-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%88%95-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%88%95%E1%88%8D%E1%8D%8E-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90\/6484958.html"} {"headline":"ዂናት ዩክሬን ሩስያን ብዓይኒ ጽልዋ ቁጠባ ዓለም","content":"ዂናት ዩክሬን ሩስያን ስዒቡ ኣሰራርዓ ቀረብን ጠለብን ዝተፈላለዩ ኣቑሑት ብፍላይ ድማ ነዳዲ ዋግኦም ክውስኽ ተራእዩ። ምስ ምውሳኽ ዋጋ ነዳዲ ዋጋ መጉዓዝያ፥ መግብን ካልኦት ኣቑሑት ከምዝውስኽ ሰብ ሞያ የጠንቅቑ። ምውሳኽ ዋጋ ነዳዲ ዓለም ምስ ዂናት ዩክሬን ሩስያን ዘለዎ ምትእስሳር ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝንበር ዘሎ እገዳታትን ካልኦት ስጉምቲታትን ንኣሰራርዓ መስርሕ ቀረብ ዓለም ብከመይ ይጸልዎ። ኣሉታዊን ኣወንታዊን ጽልዋ'ዚ ዂናት ኣብ ኣፍሪቃ ፥ ካብዘን ሃገራት ብብዝሒ ንዕዳጋ ዓለም ዝኣትው ዝነበረ ሰደድ ንጥረ ነገራት'ኸ እንታይ ጽልዋ ክህልዎ'ዩ ንዝብሉ ዛዕባታት ኣብ ዓውዲ ጽልዋ ዕደና ኣብ ቁጠባ መጽናዕቲታት ዘካየደ ህጹይ ዶክትሬት ካብ ኲዊንስላንት ዩኒቨርሲቲ ኣውስትራልያ ፍጹም ሰመረ ወልደጊዮርጊስ ኣዘራሪብናዮ ኣለና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%82%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8B%A9%E1%8A%AD%E1%88%AC%E1%8A%95-%E1%88%A9%E1%88%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%93%E1%8B%AD%E1%8A%92-%E1%8C%BD%E1%88%8D%E1%8B%8B-%E1%89%81%E1%8C%A0%E1%89%A3-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D\/6484709.html"} {"headline":"ሰልፊ ብልጽግና “ንዅላቶም ኣማራጺታት ሰላም” ክፍትሽ ምዃኑ ገሊጹ","content":"ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ንዅላቶም ኣማራጺታት ሰላም ንምጥቃም ኣብ ስምምዕ ምብጽሑ ኣፍሊጡ። እቲ ሰልፊ “ህዝቢ ትግራይ ዝኸፍሎ ዘሎ ዘይግቡእ ዋጋ” ንምትራፍ ምስምማዑ ዝገለጸ፡ ኣብቲ ካብ ትማሊ ዓርቢ ጀሚሩ ዝቃናዕ ዘሎ ፈላማይ ጉባኤ’ኡ ኢዩ። ናይቲ ጉባኤ ናይ ሎሚ መዓልቲ ውዕሎ ብዝምልከት ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃቡ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት'ቲ ሰልፊ ዶ\/ር ቢቂላ ሁሪሳ “ናይ ህዝቢ ትግራይ ጉድኣት ናይቲ ካልእ ኢትዮጵያዊ ጉድኣት'ዩ፡” ኢሎም። ንሶም ወሲኾም ኣብ ልዕሊ'ቲ ህዝቢ ይበጽሕ ኣሎ ንዝበሉዎ “ስቓይ” ንምትራፍ “ኵላቶም ኣማራጺታት ሰላም” ንምፍታሽ'ቲ ጉባኤ ምውሳኑ ሓቢሮም። ይኹን ደአ እምበር ብዛዕባ ዝተባህሉ ናይ ሰላም አማራጺታት ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃቡን። ብኻልእ ወገን “ህወሓት ንኻልእ ወራር ምድላዋት የካይድ ኣሎ” ዝበሉ ዶ\/ር ቢቂላ ነዚ ድማ “ካብ ዝዀነ ግዜ ንላዕላሊ ምድላውን ገዛእ ርእስኻ ምሕያልን የድሊ፡” ኢሎም። ሰልፊ ብልጽግና ኣብቲ ዘካይዶ ዘሎ ፈላማይ ጉባኤኡ ንመራሒ ኰይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ፕረዚደንት'ቲ ሰልፊ ገይሩ መሪጹ'ሎ። እቲ ጉባኤ ወሲኹ ንኣቶ ደመቀ መኮንን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት'ቲ፣ ንኣቶ ኣደም ፈራሕ ድማ ምክትል ፕረዚደንት ገይሩ ሸይሙ'ሎ። ገዛኢ ሰልፊ ኢትዮጵያ ዝዀነ ብልጽግና፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ዝበሎ ውሳነ ክሳብ ሕጂ ካብ ህወሓት ዝተሰምዐ ግብረ መልሲ የለን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%8C%BD%E1%8C%8D%E1%8A%93-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%95%E1%8A%A9%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%88%9B%E1%88%AB%E1%8C%BA%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8C%A5%E1%89%90%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6482397.html"} {"headline":"ኣብ ጉዳይ ስደት ንቆቦ","content":"ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ዘጋጠመ ሕጽረት መግቢ ዝተፈናቀሉ ልዕሊ 200 ሰባት ኣብ ቆቦ ከምዝኣተው ከንቲባ’ታ ከተማ ገሊጾም ዝብል ዝቐረበ ጸብጻብ ግብረ መልሲ ንምርካብ ንኣብ ካናዳ ኣተሓባባሪ ዝምድናታት ወጻኢ መንግስቲ ክልል ትግራይ ምዃኑ ዝተገልጸ ኣቶ ዮሃንስ ኣብራሃ ኣዘራሪብናዮ ኣለና። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%89%86%E1%89%A6\/6481449.html"} {"headline":"ኮሚሽን ሰ\/መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ሰፊሕ ግህሰት ምፍጻሙ ኣፍሊጡ","content":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ሰፊሕ ሰብኣዊ መግሃስታት ምፍፃሞም ብመርመራ ከምዝረጋገፀ ኣፍሊጡ። ሓይልታት ትግራይ ፆታዊ ዓመፅን መጥቓዕትን ናይ ኵናት ዕላምኦም ንመሰጎሚ ከምዝተጠቐምሎም መረዳእታ ከምዘሎ እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ። ሓይልታት ትግራይ ካብ ሓምለ 2013 ጀሚሮም ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብዝኸፈትዎ ወታሃደራዊ መጥቓዕቲ ንቦታትት ምቁፅፃሮም ስዒቡ ሰፊሕ ሰብኣዊ መግሃስታት ምፍፃሞም እቲ ኮሚሽን ሎሚ ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ መርመራ ኣፍሊጡ። ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዳንኤል በቀለ ብርክት ዝበሉ መግሃስታት ምፍፃሞን ገሊኦም ገበናት ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝተፈፀመ ናይ ኵናት ገበን ክኾኑ ከምዝኽእሉ ደምዲምና ኣለና ኢሎም። ንሶም ወሲኾም ኣብ ኵናት ዝተሳተፉ ሓይልታት ንዓለምለኸ ሕጊ ሰብኣዊነት ብዝጥሕስ መልክዑ ከቢድ ኣፅዋር ተኲሶም፣ናይ ኣየርን ድሮንን ደብዳብ ፈፂሞም ኢሎም። እቲ ኮሚሽን ኣብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን መርመራ ኣብ ዘካየደሎም ቦታታት ኮነ ተባሂሎም ዝተፈፀሙ ዘይሕጋዊ መቕተልቲ ከይሓወሰ ኣብ እዋን እቲ ኵናት ዝወረደ ናይ ህይወትን ኣካልን ጉድኣት ብውሑዱ 300 ሰላማዊያን ምሟቶም ካልኦት 39 ድማ ምቑሳሎም ሓቢሮም። ኮሚሽነር ዳንኤል ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሓዱሽ ኣካል ብምጥያሹ ነቲ መርመራ ብሓባር ንምክያድ ከምዘይተኽኣለ ገሊፆም ኣለው። ህወሓት ቅድሚ ሎሚ ብተደጋጋሚ ከምዝገለፆ ንናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን ይኹን ንውፅኢት ምርመራ ኣይቕበልን ምባሉ ይፍለጥ ይብል ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%8D%8A%E1%88%95-%E1%8C%8D%E1%88%85%E1%88%B0%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%8C%BB%E1%88%99-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6481147.html"} {"headline":"\"ኣስታት 200-ሽሕ ሰባት ህጹጽ ሓገዝ የድልዮም\" ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኦሮሚያ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ደቡብ ኦሮሚያ ዞባ ቦረና ደርቂ እናሓየለ ይመፅእ ከምዘሎ ናይቲ ዞባ ሓላፊ ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣቶ ጉዮ ጨርፊ ገሊፆም። ንሶም ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብቲ ዞባ ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት ህፁፅ ረድኤት መግቢ ዘድልየሎም ከምዘለው ገሊጾም።መንግስቲ ዝርካቡ ሓገዝ የቕርብ ምህላዉ ዝሓበሩ ኣቶ ጉዮ እንተኾነ ግን ኩነታት ደርቂ ክገድድ ከምዝኽእል ገሊፆም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%89%A6%E1%88%A8%E1%8A%93-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%89%82-200%E1%88%BD%E1%88%95-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8C%B9%E1%8C%BD-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%B5%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6481162.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ፈላማይ ጉባኤ ብልጽግና ፓርቲ ተጀሚሩ","content":"ብልፅግና ፓርቲ ካብ ዝምስረት ፈላማይ ጉባኤኡ የቓንዕ'ሎ።ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ መደረ ዘስምዑ ናይቲ ፓርቲ ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያን ኣብይ ኣሕመድ ናይታ ሃገር ናይ ልምዓት፣ናይ ሰላምን ዲሞክራስን ኣንፈታት ክውሰን እዩ ኢሎም። ንኽልተ መዓልታት ክካየድ ትፅቢት ኣብ ዝግበረሉ ኣብዚ ጉባኤ 1600 ብድምፂ 400 ውልቀ ሰባት ድማ ብዘይድምፂ ከምዝሳተፉ ተገሊፁ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8C%89%E1%89%A3%E1%8A%A4-%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%8C%BD%E1%8C%8D%E1%8A%93-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9-\/6481220.html"} {"headline":"ከተማ ምጽዋዕ ኣብ በበይኑ ገጻት","content":"ኣብ መበል 11 ክፍለ ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ከም እተመስረተት እትግለጽ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ፡ “ህያው ቤተ-መዘከር ሰንሰለት ጕዕዞን ታሪኽን ኤርትራ፡” ክብሉ ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ይገልጹ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%A5%E1%8A%95%E1%89%B3%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8B%B0%E1%89%A3%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%9D%E1%8C%BD%E1%8B%8B%E1%8B%95-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%95%E1%89%A5-%E1%89%A0%E1%8C%BB%E1%88%95%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%98%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%88%85%E1%8A%95%E1%8C%BB-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%BE%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6479550.html"} {"headline":"'ምቁራጽ ፕሮግራም ኣግዋ ንዝምድና ኣመሪካን ኢትዮጵያን ዝምጥን ኣይኮነን' ሚ\/ጉ\/ወ ኢትዮጵያ","content":"ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ: መንግስቲ ኣመሪካ ንፕሮግራም ካብ ቀረጽ ናጻ ዕድል ንግዲ (ኣግዋ) ክቋረጽ ምውሳኑ ከምኡ'ውን HR6600 ዝተባሃለ ረቂቅ ሕጊ ንምሕላፍ ይገብሮ ዘሎ ተበግሶ ነቲ ነዊሕ ዝጸንሐ ሰናይ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ዝምጥን ኣይኮነን ኢሉ ። እዚ መርገጺ ኢትዮጵያ፣ ምክትል ቀ\/ሚን ሚኒስትርን ጉዳያት ወጻኢን ደመቀ መኮንን፣ ንሓዳስ ፈጻሚት ጉዳይ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ትሬሲ ኣና ጀኮብሰን ከምዝገለጹለን’ውን ወሃቢ ቃል’ቲ ቤት ዕዮ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊጾም። ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ጉዳይ ዩክሬን፣ ኢትዮጵያ ዝሓዘቶ መርገጺ፣ ንዓለም’ውን ዝረብሕ እዩ ኢሎም። እቶም ወሃቢ ቃል ኣብ’ቲ መግለጺኦም፣ ልዕሊ 100 ሽሕ ኢትዮጵያዊያን ካብ ስዑድያ ንምምላስ ይስራሕ ከምዘሎ’ውን ሓቢሮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%89%81%E1%88%AB%E1%8C%BD-%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%8C%8D%E1%8B%8B-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%8C%A5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8A%AE%E1%8A%90%E1%8A%95-%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-\/6479302.html"} {"headline":"ካብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ዝተፈናቀሉ 200 ሰባት ቆቦ ምእታዎም ተሓቢሩ","content":"ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ዘጋጠመ ሕጽረት መግቢ ዝተፈናቀሉ ልዕሊ 200 ሰባት ኣብ ቆቦ ከምዝኣተው፣ ከንቲባ’ታ ከተማ ገሊጾም። ኣብ ካናዳ ኣተሓባባሪ ዝምድናታት ወጻኢ መንግስቲ ክልል ትግራይ ከምዝኾኑ ዝዛረቡ ኣቶ ዮሃንስ ኣብራሃም ብወገኖም ሎሚ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ \"ምስ ስድራቤት ንምርኻብ ካብ ምድላይ ወጻኢ፣ ከም ስደተኛታት ዘቁጽር ዝፍለጥ ምንቅስቃስ የለን\" ኢሎም። ከንቲባ ቆቦ ኣቶ ስዒድ ኣባተ ብሰንኪ ውግእ፣ ካብ ዋጃን ጥሙጋን፣ ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት ተፈናቂሎም ኣብ’ታ ከተማ ከምዝርከቡ ጠቂሶም: ንዝተፈጠረ ምጽባብ ንምውጋድ፣ እቶም ተፈናቀልቲ ናብ ካልእ ስፍራ ንምግዓዝ መደብ ከምዘሎ ሓቢሮም ኣለው ። ብካልእ ወገን፣ ነዚ ኣመልኪቱ መግለጺ ዝሃበ ወሃቢ ቃል ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣቶ ዘውዱ ኣያሌው ኣብ ቆቦ ካብ ዝኣተው ተፈናቀልቲ ንኣስታት 12 ሽሕ ሰባት ሰብኣዊ ረድኤት ከምዝቀረበን ካብ ክልል ትግራይ ዝተፈናቀሉ ሰባት ኣብ ቆቦ ምእታዎም ከምዝፈልጡ ሓቢሮም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%88%95%E1%8C%BD%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8A%93%E1%89%80%E1%88%89-200-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%86%E1%89%A6-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6479337.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዋጋ ኣስቤዛ ብናህሪ ምውሳኹ ነበርቲ ገሊጾም","content":"ኣብ ዋና ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ዋጋ ኣስቤዛ ብናህሪ ምውሳኩ ከምዘተሓሳሰቦም ነበርቲ’ታ ከተማ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም። እቶም ወሃብቲ ርእይቶ \"መንግስቲ፣ ንዋጋ ኣቁሑ ከረጋግእ ፍሉይ ቆላሕታ ክገብር ከምዝግባእ’ውን\" ይዛረቡ። ኣብ ቀረባ ንቤት ምኽሪ’ታ ሃገር መደረ ዘስምዑ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምምሕዳሮም፣ ምኽባር ዋጋ ኣቁሑት ንምርግጋእ፣ ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት ይወስድ ከምዘሎ ጠቂሶም ነይሮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8B%8B%E1%8C%8B-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%A4%E1%8B%9B-%E1%89%A5%E1%8A%93%E1%88%85%E1%88%AA-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%B9-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/6479355.html"} {"headline":"ጉዳይ ወ\/ሮ ኬርያ ኢብራሂም ዝርከብዎም 16 ተከሰስቲ ሎሚ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ","content":"ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ዝነበራ ወ\/ሮ ኬርያ ኢብራሂምን ካልኦት 16 ሰበ ስልጣን መንግስቲ ነበርን ኣመራርሓ ትካላት ንግዲን፣ ሎሚ ኣብ ዝነበሮም ውዕሎ ቤት ፍርዲ፣ ሕቶ ዋሕስን መጸውዒ ምብጻሕ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን ኣካታዒ ኮይኑ ከምዝነበረ፣ ጠበቃኦም ኣቶ ሃፍቶም ከሰተ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጹ። ኣቶ ሃፍቶም ፖሊስ፣ አካል ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት) ዝኾና ሱር ኮንስትራክሽን፣ መስፍን ኢንዳስትርያል ኢንጂነሪንግን ትራንስ ኢትዮጵያን ብዝምልከት መጸውዒ ንከብጽሕ ከምዘይካኣለን ጉድለታት ኣሪሙ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝወሰነ ክገልጽ ከሎ፣ ዘይፍጽመሉ ምኽንያት እንተሎ ግና ኣብ ቀጻሊ ንቤት ፍርዲ ከፍልጥ እየ ከምዝበለ ሓቢሩ። ተኸሰስቲ ሎሚ ካብ ሞንጎ ዘቅረብዎ ጥርዓን፣ ብዋሕስ ንክንፍታሕ ዓሚ ግንቦት ተፈቂዱልና ነይሩ እንተኾነ ካብ ማእሰርቲ ዓዲ ስለዘይዋዓልና፣ ንዋሕስ ዘትሐዝናዮ ገንዘብ ይመለሰልና ዝብል ከምዝነበረ፣ ቤት ፍርዲ ብይን ንምሃብ፣ ንድሕሪ 14 መዓልታት ቆጸራ ከምዝሃበ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ዝላኣኸቶ ሪፖርት ይገልጽ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8B%88-%E1%88%AE-%E1%8A%AC%E1%88%AD%E1%8B%AB-%E1%8A%A2%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%88%82%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5%E1%8B%8E%E1%88%9D-16-%E1%89%B0%E1%8A%A8%E1%88%B0%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%89%80%E1%88%AA%E1%89%A1\/6479472.html"} {"headline":"ብድሆን ዕድላትን ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ","content":"ህሉው ኩነታትን ብድሆን ከምኡ'ውን መጻኢ ዕድላት ህዝቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፣ ኢትዮጵያዊያንን ኤርትራዊያን’ከ እንታይ ይመስል? ኣብ ዝብል ተኽለብርሃን ገረዝግሄር ካብ ኣመሪካ ከምኡ'ውን ዳዊት ተኽለሃይማኖት ካብ ሽወደን ኣዘራሪብናዮም ኣለና። ኣቶ ተኽለብርሃን \"ከም ዳያስፖራ ተጋሩን ኤርትራዊያንን፣ ዓብዪ ሓላፍነት ኣለና። እዚ’ውን ተጀሚሩ ኣሎ። ጽቡቕ ውጽኢት’ውን እናምጸአ መጺኡ ኣሎ። እዚ ኲናት’ዚ ኣይንድግፎን። ነዚ ህዝቢ’ዚ ጥፍኣት፣ ባዕሉ ንባዕሉ ክጣፋእ የብሉን። ነዚ ከኣ ኣትሪርና ኢና ንቃወሞ ኢሎም ብሓደ ሰላማዊ ሰልፊ ወጺኦም’ዮም፡\" ክብል ይገልጾ። ኣቶ ዳዊት ተ\/ሃይማኖት ብወገኑ \"ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ነቲ ይኸውን ዘሎ ይድግፍ እዩ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ። ህዝቢ ደላዪ ሰላም እዩ፣ ደገፍ ክንኮኖ፣ ነቲ ተዓቢሱ ዘሎ ድምጺ ንኽንኮኖ፣ ተራ ናይ ዳያስፖራ ኰይኑ ይስማዓኒ፡\" ይብል። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%8B%B5%E1%88%86%E1%8A%95-%E1%8B%95%E1%8B%B5%E1%88%8B%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%88%AD%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83\/6477338.html"} {"headline":"ኣመሪካ ብዂናት ንዝተጎድኡ ዝውዕል ልዕሊ 250 መትሪክ ቶን ሓገዝ ኣበርኪታ","content":"ኣመሪካ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብሰንኪ ዂናት ንዝተጎድኡ ዝውዕል ልዕሊ 250 መትሪክ ቶን ሰብኣዊ ረድኤት ኣበርኪታ። እቲ ሎሚ ብመንገዲ ኣይ.ኦ.ኤም ማለት ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ንክዕድል ዝተዋህበ ረድኤት ነቶም ብዂናት ዝተጎድኡ ብኣሽሓት ዝቑጽሩ ሰባት ንምሕጋዞም ዝውዕል ምዃኑ ኣብ ኢትዮጵያ ፈጻሚት ጉዳይ ኤምባሲ ኣመሪካ ትረይሲ ጃኮብሰን ኣፍሊጣ`ላ። እቲ ንሓላፊ ኣይ.ኦ.ኤም ኣብ ኢትዮጵያ ጂያን ዝሆን፡ ንምኽትል ኮሚሽነር ህጹጽ ረድኤት ኢትዮጵያ ኣቶ ነሲቡ ያሲንን ዝተዋህበ ቐረባት ረድኤት ልዕሊ 1.5 ሚልየን ዶላር ዝግመት ምዃኑ ኣብቲ ሎሚ ዝተገብረ ምርኽኻብ ተጠቒሱ`ሎ። እቲ ረድኤት ኣካል ናይቲ ኣመሪካ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚራ ዝሃበቶ ኣስታት 900 ሚልየን ዶላር ምዃኑ`ውን ኣብቲ ዝመጻና ዜና ተጠቒሱ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%89%A5%E1%8A%A9%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%8E%E1%8B%B5%E1%8A%A1-%E1%8B%9D%E1%8B%8D%E1%8B%95%E1%88%8D-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-250-%E1%88%98%E1%89%B5%E1%88%AA%E1%8A%AD-%E1%89%B6%E1%8A%95-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%8A%AA%E1%89%B3\/6476989.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ ኣብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ደርቂ 175 ሽሕ ሰባት ምጉድኦም ሓቢሩ","content":"ኣብ ምብራቓዊ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ደርቂ ኣስታት 175 ሺሕ ሰባት ከምዝተጎድኡ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። በቲ ደርቂ ልዕሊ 1.5 ሚልየን ጥሪት ከምዝሃለቓ`ውን ጠቒሱ`ሎ። ነቶም ግዳያት ንምሕጋዝ ልዕሊ 120 መትሪክ ቶን መድሃኒትን ካልእ ቀረባትን ከምዝተላእከ ዝገለጸ ወሃቢ ቓል ሕቡራት ሃገራት ስቲፈን ዱጃሪክ፡ ክብደት ናይቲ ደርቂ ተወሳኺ ገንዘብ ዝሓትት ብምባል ሓገዝ ክዋጻእ ተማሕጺኑ`ሎ። እቲ ደርቂ ንጎረቤት ሃገር ሶማል`ውን ብኸቢድ ከምዘጥቀዐን ልዕሊ 4.5 ሚልየን ሶማልያውያን ንጥምየት ምቕልዖም ብምሕባር 1.5 ቢልየን ዶላር ዝግመት ሓገዝ ከምዘድልይ ገሊጹ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%89%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%89%82-175%E1%88%BD%E1%88%95-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8C%89%E1%8B%B5%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6477012.html"} {"headline":"ክልል ኣምሓራ: ግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ እኹል ድጋፍ ኣይተገበረልናን ክብላ መረረት ኣስሚዓን","content":"ህወሓት ንገለ ከባብታት ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተቖጻጸረሉ እዋን ጾታዊ መጥቓዕቲ ከምዘጋጠመን ዝገልጻ ደቀንስትዮ፡ እኹል ድጋፍ ኣይተገብረልናን ዝብል መረረት ኣስሚዐን። ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረበን ሰለስተ ደቀንስትዮ፡እታ ሓንቲ ኣደ 4 ወርሒ ህጻን ከላ ብጉጅለ ከም ዝተዓመጸትን ሕማም ሕቖ ከምዘስዓበላን ክትገልጽ ከላ፡ እታ ካልኣይቲ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማም ከም ዝለገባ፡ እታ ሳልሰይቲ ድማ ተነጽሎ ካብ ማሕበረሰብ ከምዝገጠማ ገሊጻ`ላ። ኣብቲ ኸባቢ ዝሰርሕ ተወካሊ ሓገዝ ስድራቤታት ዝኾነ ኣቶ ሰለሞን ፍስሃ፡ 208 ደቀንስትዮ ሕክምና ከምዝተገብረለን ክገልጽ ከሎ፡ መዲካል ዳይሬክተር ሆስፒታል ደሴ ዶ\/ር ሃይማኖት ኣየለ ብወገና ተወሰኽቲ 300 ደቀንስትዮ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ከምዝረኸባ ሓቢራ`ላ። ኣብ እዋን ዂናት ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ዓፋርን ትግራይን`ውን ተመሳሳሊ ጾታዊ ዓመጻት ምፍጻሙ ክጥቀስ ጸኒሑ`ዩ ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8C%8D%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8C%BE%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8A%A5%E1%8A%B9%E1%88%8D-%E1%8B%B5%E1%8C%8B%E1%8D%8D-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%88%8D%E1%8A%93%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8B-%E1%88%98%E1%88%A8%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%9A%E1%8B%93%E1%8A%95-\/6477047.html"} {"headline":"መግፈፊ ዓሳ ሰክዔት ብምስራሕ ትናበር ኣብነታዊት ጓል ኣንስተይቲ","content":"ወ\/ሮ ኣሚና መሓመድኑር ኣብ ሕርጊጎ እትነብር ኣብነታዊት ጓል ኣንስተይቲ’ያ።ኣብ ምስራሕ መገፈፊ ዓሳ ሰክዔት ምስራሕ ቅድሚ ምውፋራ ዝኾነ ሞያ ከምዘይነበራ ትዛረብ ኣምና ሚንስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ዝፈጥረላ ስልጠና ምስራሕን ምዕራይን መግፈፍ ዓሳ ሰኪዔት ፡ሂወታ ከምዝተቐየረ ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪባ። በቲ ዝቐሰመቶ ሞያ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ከይዳ ተመክሮኣ ክተካፍልን ተወሳኺ ተመክሮ ክትቀስምን ከም ዝኸኣለት ‘ውን ትዛረብ።ምስ ካልኦት ከምኣ ዝኣመሰላ ደቂ ኣንስትዮ ብማህበር ተጠርኒፈን ብሓባር ከምዝሰርሓ'ውን ትሕብር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%8D%88%E1%8D%8A-%E1%8B%93%E1%88%B3-%E1%88%B0%E1%8A%AD%E1%8B%94%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%89%B5%E1%8A%93%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8C%93%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%8B%AD%E1%89%B2\/6475802.html"} {"headline":"ተቓውሞ ኤርትራ ኣንጻር ኵነኔ ወራር ሩስያ ብዓይኒ ተመራማሪ ታሪኽ","content":"ኤርትራ ብሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝዅንን ብዘይ ቅድመ-ኵነት ተጻብኦታት ከተቋርጽ ንዝቐረበ ንድፊ ጽኑዕ ውሳነ (resolution) ካብ ዝተቓወማ ሓሙሽተ ሃገራት ክትከውን እንከላ፡ ጸኒሑ እቲ ድምጺ ኣብ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት (UN Human Rights Council) ምስ ሰገረ ድማ ብተመሳሳሊ ምስ ሩስያ ዝተቓወት ካልኣይቲ ሃገር ኣባል’ቲ ጉባኤ ኰይና ኣላ። እዚ እንታይ ሃገራዊ፡ ዞባዊ፡ ኣህጉራዊን ዓለምለኻዊን ሳዕቤናት ክህሉዎ ይኽእል፡ ብተመራማሪን መምህርን ታሪኽ ፕሮፈሰር ዓወት ተወልደ ወልደሚካኤል ኣዘራሪብናዮ ኣሎና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%88%9E-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%8C%BB%E1%88%AD-%E1%8A%B5%E1%8A%90%E1%8A%94-%E1%8B%88%E1%88%AB%E1%88%AD-%E1%88%A9%E1%88%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8B%93%E1%8B%AD%E1%8A%92-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%9B%E1%88%AA-%E1%89%B3%E1%88%AA%E1%8A%BD\/6475741.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ምስ ዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃ ብቴሌፎን ተዘራሪቦም","content":"ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረዝ፣ ምስ ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ ብቴለፎን ከምዝተዘራረቡ ወሃቢ ቃል ሕ\/ሃ ኣፍሊጡ። ዋና ጸሓፊ ቀ\/ሚ ኣብ ዝርርቦም፣ ብዛዕባ ሰብኣዊ ቀረባት ናብ ዞባ ውግእ ዝኣትወሉ ኣገባብ፣ ከምኡውን ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ልዝብ ከምዘልዐሉ እቲ ዜና ሓቢሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%8A-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%89%A5%E1%89%B4%E1%88%8C%E1%8D%8E%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/6475433.html"} {"headline":"ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕ\/ሃ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ደብዳብ ነፈርቲ ኣስታት 300 ሰባት ምሟቶም ገሊጸን","content":"ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕ\/ሃ ሚሸል ባችለት፣ ብሰንኪ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ፣ ልዕሊ 300 ሰባት ከምዝሞቱ ገሊጸን። ኣብ’ቲ ከባቢ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ጸጥታን ኣዝዩ ከምዘንቆልቆለ’ውን ጠቂሰን። ሚሸል ባችለት ነዚ መግለጺ ዝሃባ፣ ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት እዩ። ተወካሊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ማህሌት ሃይሉ ብወገነን ‘ባችለት ዝሃበኦ መግለጺ፣ ምስ’ቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ዝፍለይ እዩ’ ክብላ ምላሽ ሂበን ኣለዋ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%90%E1%88%AD-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%89%A5-%E1%8A%90%E1%8D%88%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-300-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B8%E1%8A%95\/6475482.html"} {"headline":"ክልል ትግራይ-ንኽልተ ዓመት ብዘይ ኣገልግሎት ትምህርቲ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ለብዒ ኮቪድ-19ን ዝሰዓበ ኲናት ብድምሩ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ንኽልተ ዓመት ደው ኢሉ ኣሎ። ድምጺ ኣመሪካ ተመሃሮን መምሃራንን ከመይ ይሓልፉዎ ከም ዘለዉ፡ ንበበይኖም ኣካላት ኣዘራሪቡ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8A%BD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B2\/6474202.html"} {"headline":"ድምጺ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዩክሬን","content":"ኲናት ዩክሬን ድሕሪ ምውላዑ፡ ብሕልፊ እኳ ካብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ መጺኦም ኣብታ ሃገር ዝጸንሑ ከቢድ ተጽዕኖ ኰይኑዎም ኣሎ።ድምጺ ኣመሪካ ንኽልተ በቲ ኲናት ዝተጸልዉ ኢትዮያውያን ኣዘራሪቡ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BA-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%A9%E1%8A%AD%E1%88%AC%E1%8A%95\/6474190.html"} {"headline":"ኮሚሽን ስደተኛታት ሕ\/ሃገራት፡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ንምጥያስ 205 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ይሓትት","content":"16 ኣዋርሕ ኣቝጺሩ ብሰንኪ ዘሎ ኲናት ኢትዮጵያ ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ ኣስታት 2 ሚልዮን ኢትዮጵውያን ንምጥያስ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ኣስታት 205 ሚልዮን ዶላር ባጀት ሓቲቱ ኣሎ። እቲ ኮሚሽን መብዛሕትኦም ኣብ ውሽጢ ሃገር ተመዛቢሎም ዘለዉ ምዃኖም ተወሰኽቲ ኣስታት 600-ሽሕ ዝበጽሑ ግን ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ግዒዞም ምግዓዞም ይሕብር። ወሃቢት-ቃል እቲ ኮሚሽን ዝዀነት ሻቢያ ማንቱ፡ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪታ፤“እቶም እንኮላይ ስደተኛታት ዘጠቓልሉ ውሽጣውያን ተመዛበልቲ፡ ግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ከልበትበት፡ ሰብኣዊ ጥሕሰት፡ ስእነት መሰረታዊ ቀረባትን ኰይኖም’ዮም። ንኤርትራውያን ስደተኛታት’ውን የዕቊቡ ዝነበረ መዓስከራት’ውን ብምፍራሱ ድማ ንዓሰርተታት ኣሽሓት ኣደዳ ምጕስቓልን ተደራቢ ስቓይን ገይሩዎም’ዩ፡” ትብል። እቲ ኲናት ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ድሕሪ ምልሓሙ፡ ብድምሩ ኣስታት 2 ሚልዮን ዜጋታት ተመዛቢሎም ኣለዉ። እቲ ተሓቲቱ ዘሎ ባጀት፡ ንመስርሒ ኣባይቲ፡ በቲ ኲናት ግዳያት ንዝዀኑ (ብቐንዱ ድማ ህጻናትን ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝወረደን ኣደታትን) ንምሕጋዝ፡ ተሰዲዶም ንዘለዉ ስደራቤታት ምስ ተመልሱ ንመጣየሲን ምዃኑ እታ ወሃቢት-ቃል ወሲኻ ተረድእ። እቲ ወጺኡ ዘሎ መደብ ካብቲ ቀሪቡ ዘሎ መጠን ኣስታት 16 ሚልዮን ድማ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ጂቡቲ፡ ኬንያ፡ ሶማልን ደቡብ ሱዳንን ንዝገዓዙ ኢትዮጵውያን ስደተኛታት ክውዕል’ዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8C%A5%E1%8B%AB%E1%88%B5-205-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8B%B6%E1%88%8B%E1%88%AD-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8B%AD%E1%88%93%E1%89%B5%E1%89%B5\/6473622.html"} {"headline":"ሰራሕተኛታት ሓጽቢ ህዳሴ ሒዛ ትጉዓዝ ኣብ ዝነበረት ኣውቶቡስ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ 15 ሰባት ሞሟቶም ተሓቢሩ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰራሕተኛታት ግድብ ህዳሴ ፅዒና ናብቲ ሓጽቢ ትጉዓዝ ኣብ ልዕሊ ዝነበረት ኣውቶቡስን ይዕጅቡ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሓይልታት ፀጥታን መንነቶም ዘይፍለጡ ዕጡቓት ፈፂሞምዎ ብዝተባህለ መጥቓዕቲ 15 ሰባት ምሟቶም ካብቲ መጥቃዕቲ ኣምሊጥና ዝበሉ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም። እቲ 23 ለካቲት 2014 ዓ\\ም ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ኣብ ወረዳ ጉባ ንኡስ ጣቢያ ኣይሲድ ኣብ ዝርከብ ልምዓት ሕርሻ ምዃኑ ተገሊጹ'ሎ። ብዛዕባ እቲ መጥቓዕቲ ካብ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ርእይቶ ንምርካብ ዝተኻየደ ጻዕሪ ኣይተዓወተን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8C%BD%E1%89%A2-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%88%92%E1%8B%9B-%E1%89%B5%E1%8C%89%E1%8B%93%E1%8B%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%89%B6%E1%89%A1%E1%88%B5-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-15-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6473634.html"} {"headline":"ብምልዕዓል ህውከትን ዕግርግርን ዝተጠርጠሩ 33 ኣባላት ፓርቲ ባልደራስ ኣብ ቐይዲ ኣትዮም","content":"ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ዝወዓሉ ኣባላት ፓርቲ ባልደራስ ንሓቀኛ ዲሞክራሲ ሎሚ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም። ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘውዓሎም 33 ኣባላት እቲ ፓርቲ 23 ለካቲት ኣብ ዝተኸበረ ብዓል ዓወት ዓድዋን 26 ለካቲት ዝተኸበረ ብዓል ዓወት ካራማራን ህውከትን ዕግርግርን ንምልዕዓል ፈቲኖም ብዝብል ከምዝጠርጠሮም ንቤት ፍርዲ ምፍላጡ ናይቶም እሱራት ጠበቓ ገሊፆም።ጉዳዮም ኣብ ክልተ ኣብያተ ፍርዲ ኣዲስ ኣበባ ይርኣይ ከምዘለዎ እውን እቲ ፓርቲ ገሊፁ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%95%E1%8C%8D%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%A0%E1%88%AD%E1%8C%A0%E1%88%A9-33-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%A3%E1%88%8D%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%90%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%88%9D\/6473646.html"} {"headline":"ፃንሖት ምስ ወ\/ሮ ሊያ ካሳ ኣብ ህሉዊ ኩነታትን ተኽእሎታት ዘተ ሰላምን","content":"ሓላፊት ቢሮ ኮምኒከሽን ክልል ትግራይ ዝዀና ወ\/ሮ ሊያ ካሳ ንኹነታት መነባብሮ ክልል ትግራይን ምስ በብይኖም ኣካላት ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ዝርርባት ንሰላምን ኣመልኪተን ንድምፂ ኣመሪካ ሓጺር ቃለ-ምልልስ ሂበን ነይረን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%83%E1%8A%95%E1%88%96%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%88-%E1%88%AE-%E1%88%8A%E1%8B%AB-%E1%8A%AB%E1%88%B3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%88%89%E1%8B%8A-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8A%BD%E1%8A%A5%E1%88%8E%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D%E1%8A%95\/6473596.html"} {"headline":"ቃለ ምልልስ ምስ ዶ\/ር መሉ ነጋ","content":"ኵናት ኣብ ውሽጢ ትግራይ ይካየድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ፈፃሚ ስራሕ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምዃን ዘገልገሉ ዶ\/ር ሙሉ ነጋ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበርሉ እዋን ኣብ ትግራይ ዝተኸሰቱ ፍፃመታትን ዘጋጠምዎም ፈተናታትን ሓዊሱ ኣዘራሪብናዮም ኣለና: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%88%8D%E1%88%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%88%89-%E1%8A%90%E1%8C%8B-\/6473539.html"} {"headline":"ክልል ትግራይ:ንጽጉማት ኣዴታት ንምሕጋዝ ዝካየድ ሰናይ ተበግሶ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ንጽጉማት ኣዴታት ንምሕጋዝ ብዛዕባ ዝግበር ሰናይ ተበግሶ፡ ንሓንቲ ካብተን ንጽጉማት ኣዴታት ምስ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ግዱሳት ተጋሩ ድልድል ኮይነን ዘራኽባ ደቀኣንስትዮ ሓንቲ ኣዘራሪቡ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8C%BD%E1%8C%89%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%B4%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8C%8B%E1%8B%9D-%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%88%B0%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%89%A0%E1%8C%8D%E1%88%B6\/6470797.html"} {"headline":"ኣመሪካ:ኣስታት 2 ሚልዮን መንእሰያት ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ሓድሽ ተበግሶ ከምዝጀመረት ኣፍሊጣ","content":"አመሪካ፣ ንኣስታት ክልተ ሚልዮን መናእሰይ ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ዝውዕል 3.1 ቢልዮን ብር ወጻኢ ዝተገብረሉ ሓድሽ ተበግሶ ከምዘጀመረት፣ ኤምባሲ አመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ገሊጹ። እቲ ‘ብራኸ’ ዝብል መጸውዐዒ ዝረኸበን ብትካል ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣመሪካ(USAID) ዝትግበርን ተበግሶ፣ ኣብ 18 ዝተፈላለያ ከተማታት ዝነብሩ መናእሰይ ዕድል ስራሕ ንክረኽቡን ኣብ ማሕበረሰቦም ጸላዊ ድምጺ ንክረኽቡ ዘሕግዝን እዩ። ብዘይካ'ዚ፣ እቶም መናእሰይ፣ ኣገልግሎት ባንኪ፣ ቁጽጽር ስድራቤት ኣገልግሎት ጥዕናን ንክረኽቡ’ውን ዝገብር ከምዝኾነ እቲ ኤምባሲ ሓቢሩ'ሎ። ብመሰረት'ዚ ድማ ኣስታት 700 ሽሕ መናእሰይ ኢትዮጵያ፣ ብተበግሶ 'ብራኸ' ተረባሕቲ ከምዝኾኑ’ውን ተሓቢሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-2-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8C%8B%E1%8B%9D-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%89%B0%E1%89%A0%E1%8C%8D%E1%88%B6-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8C%80%E1%88%98%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A3\/6470692.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ ምንቅስቃስ ሰራሕተኛታት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሕጂ'ውን ኣጸጋሚ ከምዝኾነ ሓቢሩ","content":"ሰሜናዊ ኢትዮጵያ፣ ንምንቅስቃስ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ ሎሚ’ውን ኣጸጋሚ ኮይኑ ከምዘሎ ወሃቢ ቃል ሕ\/ሃ ትማሊ ሓሙስ ገሊጹ። እቲ መግለጺ ወሲኹ ኣብ ክልል ዓፋር፣ ብሰንኪ ይቅጽል ዘሎ ውግእ፣ ሰባት ይፈናቀሉ ኣለው ይብል።\\n\\nኣብ ዝሓለፈ ቅነ፣ውግእ ኣብ ዝካየደሉ ከባቢ ዘለው 18 ሽሕ ሰባት ረድኤት እኽሊ ከምዝረኸቡ፣ ኣገልግሎት ሕክምና፣ ማይ ብቦጥ ከምዝቀረበሎምን ናይ ገዛ ኣቁሑት ከይተረፈ ከምዝተዓደሉ ሕ\/ሃ ገሊጹ።\\n\\nእቲ ወሃብ ቃል ኣብ ክልል ትግራይ ግና፣ ብክልል ዓፋር ኣቢሉ ረድኤት እኽሊን ነዳዲን ምሕላፍ ከምዘይተኻኣለ፣ ካብ 17 ክሳብ 23 ለካቲት አብ ዝነበረ ጊዜ ምዕዳል ረድኤት ከምዘይተፈጸመ፣ ቀረባትን ነዳዲን ዳርጋ ይጽንቀቅ ኣሎ ይብል።\\n\\nብተወሳኺ ዝተወሰነ ሓገዝ ቀረባት ብነፋሪት ምግዓዙ፣ ኣብ’ታ ዝሓለፈ ቅነ፣ ብሕልፊ ንቆልዑ ዘገልግል ዝተማለአ መግቢ ከምዝተላኣኸ ጠቂሱ'ሎ።\\n\\nብመሰረት ሕቡራት ሃገራት ኣብ’ዚ ዳሕረዋይ ዙር ምሃብ ረድኤት ኣስታት 7 ሚልዮን ህዝቢ ሰሜን ኢትዮጵያ ተረባሕቲ ኮይኖም እዮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%B5%E1%89%83%E1%88%B5-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%95%E1%8C%82-%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8C%B8%E1%8C%8B%E1%88%9A-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%BE%E1%8A%90-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6470557.html"} {"headline":"ካብ ክልል ኦሮምያ ተመዛቢሎም ኣብ መተከልን ደብረ-ብርሃንን ዝተዓቖቡ ተመዛበልቲ ሓገዝ መንግስቲ ከምዘይረኸቡ ይሕብሩ","content":"ብሰንኪ ግጭት ካብ ምብራቃዊን ምዕራባዊን ኦሮምያ ተፈናቂሎም፣ ኣብ ሰሜን ሸዋ፣ ደብረ ብርሃንን መተከልን ዝተዓቖቡ ብርክት ዝበሉ ተፈናቀልቲ፣ ሓገዝ ካብ መንግስቲ ይረኽቡ ከምዘየለው ገሊጾም።\\n\\nድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም እቶም ተፈናቀልቲ፣ ዝተፈናቀሉሉ ምኽንያት፣ መንግስቲ ሸኔ ብምባል ዝጽውዖ ንገዛእ ርእሱ ግንባር ነጻነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕን ደባይ ተዋጋእቲ ጉሙዝ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ኣምሓሩ ብሰንኪ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ እዩ ይብሉ።\\n\\nእዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ሓይልታት ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ድሕሪ ምእታዎም ተፈናቂሎም ዝነበሩ 1.2 ሚልዮን ሰባት፣ ናብ ከባቢኦም ከምዝተመለሱ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A2%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%89%B0%E1%8A%A8%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%83%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%89%96%E1%89%A1-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%8A%B8%E1%89%A1-%E1%8B%AD%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A9\/6470523.html"} {"headline":"ራብዓይ ፓትርያርክ ኢትዮጵያ ኣቡነ መርቀርዮስ ዓሪፎም","content":"ራብዓይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ኣቡነ መርቆሬዎስ ከምዝዓረፉ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ኣፍሊጡ።\\n\\nኢህወዴግ ስልጣን ኣብ ዝሓዘሉ እዋን ናብ ኣመሪካ ዝተሰደዱ ኣቡነ መርቆሬዎስ፣ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ፣ ክሳብ ሽዑ ግና ‘ስደተኛ ሲኖዶስ’ ይባሃል ንዝነበረ ይመርሑን ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን የገልግሉ ከምዝነበሩን ዝረኸብናዮ ዜና ይሕብር።\\n\\nምምሕዳር ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ናብ መዝነት ምስ መጸ ድሕሪ ዝተገብረ ጽዑቅ ሽምግልና ምስ’ቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ሲኖዶስ ዕርቂ ብምፍጣር፣ ኣቡነ መርቆሬዎስ ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱን ምስ ኣቡነ ማቲያስ መንፈሳዊ መራሒ መንበረ ፓትሪያርክ ኾይኖም ከምዝጸንሑን’ውን ድምጺ ኣመሪካ ዘዳለዎ ዜና ገሊጹ።\\n\\nስነ ስርዓት ቀብሪ ኣቡነ መርቆሬዎስ ድሕሪ ጽባሕ ሰንበት ክፍጸም እዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AB%E1%89%A5%E1%8B%93%E1%8B%AD-%E1%8D%93%E1%89%B5%E1%88%AD%E1%8B%AB%E1%88%AD%E1%8A%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A1%E1%8A%90-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%89%80%E1%88%AD%E1%8B%AE%E1%88%B5-%E1%8B%93%E1%88%AA%E1%8D%8E%E1%88%9D\/6470493.html"} {"headline":"መህደሚ ዝሰኣኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትግራይ","content":"ረፉጂስ ኢንተርናሽናል (Refugees International) ዝተባህለ ተሓላቒ ትካል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣመልኪቱ ትማሊ 3 መጋቢት ሓደ ጽሑፍ ዘርጊሑ ነይሩ። ትካል ረፉጂስ ኢንተርናሽናል (Refugees International) ኲናት ኢትዮጵያ ዘስዓቦ ኵለንትናዊ ሰብኣዊን ንዋታዊን ክሳራታት፡ ብሕልፊ ድማ ኣብ ሰብ ዝወረደ ዕንወት ድሕሪ ምዝርዛር፡ ልዕሊ ኵሉ ተሓላቒ ኣካል ዘይብሎም ኢሉ ብፍሉይ ዘለለዮም ግን ኣብ በበይኑ መዓስከራት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት’ዮም። እቲ ጽሑፍ ከም ዝጠቕሶ፡ ዓለምለኸ ትካላት ከምእኒ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR)፡ ነቶም ካብ ግፍዒ ሃዲሞም ዝመጹ ስደተኛታት እኹል ድጋፍ ክገብረሎም ከም ዘይከኣለ የመልክት። ኣብ ክንድኡ እኳ ደኣ ይብል እቲ ጸብጻብ፡ ብበይኖም ሓይልታት ሰራዊት ኤርትራን ሚሊሻ ትግራይን ግዳይ መጭወይቲ፡ ኣደዳ ጥሜትን ምክልባትን ኰይኖም። እቲ ጸብጻብ ከም ዝጠቕሶ፡ ብሕልፊ እኳ ድሕሪ ወርሒ ሓምለ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ቀረባት ብዘይ ምህላዉ፡ ንሓያሎ ዜጋታት ንሞትን ስቓይን ኣቓሊዑ ኣሎ። እቲ ጸብጻብ ብሰንኪ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ጥምየት መዓልታዊ ኣብ መንጎ 450 ክሳብ 1200 ሰባት ብሰንኪ ጥምየት ህይወቶም ይሓልፉ ከም ዘለዉ ኣመልኪቱ። ቀንዲ ግዳያት ዝዀኑ ድማ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምዃኖም ድማ እቲ ጽሑፍ ይጠቅስ። ነቲ ጎንጺ ደው ከብሉ ዓቕሚ ዝነበሮም ከም ሕቡራት ሃገራት፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ኣመሪካ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ካልኦት ጸለውቲ ሃገራት ከም ቻይና፡ ቱርኪ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ገና ዝዀነ ነገር ክገብሩ ዘይምኽኣሎም እቲ ጽሑፍ ይነቅፍ። ኣስታት 149 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ምህላዎም ዘመልከተ ጸብጻብ ረፉጂስ ኢንተርናሽናል (Refugees International)፡ ቅድሚ ሕጂ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብኸም ሊብያን ካልእ መገዲን ኣቢሎም ናብ ሳልሳይ ሃገር ክሳገሩ ደኣ ይጽንሑ እምበር፡ ሕጂ ግን እዚ ዕድል’ዚ ‘ውን ስለ ዝተዓጽወ ንዝኸፍአ ጸበባ ተገዲፎም ከም ዘለዉ የመልክት። ንሓያሎ ኤርትራውያን ስደተኛታት የዕቊበን ዝነበራ መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ብኤርትራ ድሕሪ ምድምሳሰን፡ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ዝበጽሑ ኣብቲ መዓስከር ተዓቝቦም ዝነበሩ ስደተኛታት ናብ መዓስከራት ዓዲ-ሓሩሽን ማይ-ዓይኒን ከም ዝገዓዙ ዘመልከተ ጸብጻብ፡ ኣብኡ’ውን ንተወሳኺ ጸበባን ስቓይን ምቅላዖም ይጠቅስ። ውሕስነት ክዀኖም ትጽቢት ዝገበሮ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ክበጽሖም’ውን ብዘይ ምኽኣሉ፡ ኣደዳ መዝሓሊ ነድሪ በበይኖም ሓይልታት ምዃኖም ድማ ይውስኽ። ኲናት ኢትዮጵያ ድሕሪ ምውላዑ ንሱዳን ዝሃደሙ ኤርትራውያን ስደተኛታት ደኣ ይሃሉዉ እምበር፡ ኣብ ሱዳን ዝሰዓበ ቁጠባዊ ሕሰምን ፖለቲካዊ ሓጎጽጎጽን ግን ውሕስነት ዘይህብ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ። ሱዳን ጽቡቕ ናይ ምቕባል ምልክት ደኣ ትሃብ እምበር፡ ብዙሓት በቲ ኲናት ዝተመዛበሉ ኢትዮጵውያን’ውን ኣብ በበይኑ መዓስከራት ንኸቢድ ጸገም ተቓሊዖም ኣለዉ። ነቲ ፖለቲካዊ ዘይርጉእነት ስዒቡ፡ ብለገስቲ ሃገራት ዝወሃብ ዝነበረ ሓገዝ’ውን ደው ስለ ዝብለ ንዅላቶም ኣብ ዝኸፍአ ሓደጋ መሪሑ ምህላዉ ድማ የምልክት። እቲ ጸብጻብ ኣብ መደምደታኡ፡ ሽግር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣካል ዘይርጉእነት ኢትዮጵያ ስለ ዝዀነ፡ ነባሪ ፍታሕ ንምርካብ እቲ ጸገም ካብ ላዕሊ ክጅምር ኣመልኪቱ ኣሎ። ነተን ጸለውቲ ዝበለን ሃገራት ትካላትን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰላም ክሰርሕ ጸቕጢ ክገብራሉን ተሓታትነት ንኽህሉ ምጽራይ ክግበር ድሕሪ ምጽዋዕን፡ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ቅድሚት ክስራዕ ተማሕጺኑ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብቲ ጉዳይ ተራ ክጻወቱ ብዛዕባ ዝበሎም በበይኖም ኣካላት፡ ማለት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ሕቡራት መንግስታት ከምኡ’ውን ጎረባብቲ ሃገራት ኬንያን ሱዳንን ብዛዕባ ክጻወተኦ ዝግበርአን ተራ ኣመልኪቱ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%85%E1%8B%B0%E1%88%9A-%E1%8B%9D%E1%88%B0%E1%8A%A3%E1%8A%91-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/6470274.html"} {"headline":"ህጻናት ብሰንኪ ስእነት ቀረባት መድሃኒት ግቡእ ክንክን ይረኽቡ የለውን ክብሉ ሓካይም ዓይደር ሆስፒታል ሓቢሮም","content":"ብቐጥታ ኮነ ተዘዋዋሪን በዚ ኲናት ዝተሃርሙ ህጻናት፡ ናብ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ምስ በጽሑ’ውን ብሰንኪ ስእነት ቀረባትን መድሃኒትን ከምቲ ዝግበኦም ክንክን ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ሓካይም እቲ ሆስፒታል ይጠቕሱ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8C%BB%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%88%B5%E1%8A%A5%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%88%A8%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%83%E1%8A%92%E1%89%B5-%E1%8C%8D%E1%89%A1%E1%8A%A5-%E1%8A%AD%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%8A%BD%E1%89%A1-%E1%8B%A8%E1%88%88%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%88%93%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%88%9D-%E1%8B%93%E1%8B%AD%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%88%86%E1%88%B5%E1%8D%92%E1%89%B3%E1%88%8D-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/6468952.html"} {"headline":"ቴክኖሎጂ ኣብ ምቅላል ህይወት ባሕረኛታት ከተማ ባጽዕ","content":"ዘመንዊ ቴክኖሎጂ ከም መሐበሪ ካርታ GPSን ካልኦትን ኣብ ህይወት ባህላውያን ገፈፍቲ ዓሳ ዓቢ ለውጢ የምጽኡ ከም ዘለዉ፡ እቶም ንበበይኑ ወለዶታት ምግፋፍ ዓሳ ዝተኻፈሉ ይሕብሩ። ሙሳ ዓሊ ሙሳ ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ዝተዋፈረ ነባሪ ከተማ ባጽዕ’ዩ። ነቲ ኣብ እዋን ንእስነቱ ወላዲኡ ንምሕጋዝ ዝጀመሮ ስራሕ ምግፋፍ ዓሳ፡ ምሉእ ብምሉእ ተረኪቡ ኣብ ምስራሕ ከምዝርከብ ዝዛረብ ሙሳ፡ ኣንፈትን ኩነታት ኣየርን ንምፍላጥ ኣብ ሞባይሉ ዝጸዓኖ ካርታን ሓበሬታን ከምዝጥቀምን ንካልኦት ገፈፍቲ ዓሳ ‘ውን ከምዝሕግዝን ምስ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ገሊጹ’ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B4%E1%8A%AD%E1%8A%96%E1%88%8E%E1%8C%82-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%89%85%E1%88%8B%E1%88%8D-%E1%88%85%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%A8%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%89%A3%E1%8C%BD%E1%8B%95\/6468923.html"} {"headline":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ንመስርሕ ምጽራይ ግህሰት መሰላት ኢትዮጵያ ዘጻርይ ኮሚተ ከምዘቆመ ኣፍሊጡ","content":"ቤት ምኽሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንመስርሕ ምጽራይ ግህሰት መሰላት ዘጻሪ ኣካል ከምዘቆመ ኣፍሊጡ። ጋምቢያዊት ዓቃቢ ሕጊ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ዝነበረት ፋቱ ቤንሱዳ ነቲ ሰለስተ ኣባላት ዝሓቆፈ ኮሚቴ ክትመርሖ ተመዚዛ ኣላ። ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ውሳነ ቁጽሪ ኤስ 33\/1 ዝሓለፈ ታሕሳስ ከሕልፍ ከሎ፣ ፕረዚደንት’ቲ ቤት ምኽሪ አርጀንቲናዊ ፈደሪኮ ቪለጋስ ንኣባላት እቲ ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ ሕዳር ጀሚሩ ዝተፈጸመ ግፍዒን ግህሰት መሰላትን ተጻሪ ኮምሽን ንከቁሙ ሓለፍነት ሂብዎም እዩ። ብመሰረት’ዚ፣ ጋምቢያዊት ፋቱ ቤንሱዳ፣ ኬንያዊት ካኣሪ ቤትይ ሙሩንጊን ኣሜሪካዊ ስቲቨን ራትነርን ኣብ’ታ ኮምሽን ንክሕቆፉ መሪጾም ኣለው። ሸቶ ሰለስቲኦም ኣባላት’ታ ኮምሽን ኣናዳዪት ሓቂ፣ ሓቂን ኩነታትን ግህሰትን ገበንን፣ ምእካብን ምሓዝን ጭብጢታት፣ ተሓተቲ ምልላይ፣ እንተተኻኢሉ፣ እቶም ዝተኣከቡ መርተዖታት ከቅርቡን ሎምን መጻኢን ጊዜ ንመስርሕ ተሓታታነት ሓጋዚ ዕዮ ንክፍጽሙን ሕድሪ ተቀቢሎም ኣለው። እቲ ውሳነ ወሲኹ፣ እዛ ሎሚ ቆይማ ዘላ ሓዳስ ኮምሽን፣ ነቲ ኮምሽናት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ኢትዮጵያን ዘዳለውዎ ሪፖርት ክጥቀሙሉን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝገብሮ መስርሕ ተሓታታነት፣ ዕርቂን ሕውየትን ቴክኒካዊ ደገፍ ዝግበረሉ ኣገባብ ንክተጣጥሕ ሓቢሩ ኣሎ። እታ ቆይማ ዘላ ሓዳስ ኮምሽን፣ ዝመጽእ ሰነ ወይ ሓምለ፣ ንመባእታዊ ሪፖርታ ናብ’ቲ ቤት ምኽሪ ብቃል ክተስምዕ፣ ዝመጽእ መስከረም ወይ ጥቅምቲ ድማ ብጽሑፍ ንክተቅርብ ተወሲኑ ኣሎ። እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምቋም’ታ ኮምሽን ኣብ ዝሃቦ ግብረ መልሲ \"ገለ ኣባላት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕ\/ሃ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝገበሮ ጻዕሪታት ኣስተናዒቆም፣ ፍሉይ ኣኼባ ጸዊዖም፣ ፖለቲካ ዝመበገሲኡ ሸቶ ንምዕዋት ተንቀሳቂሶም\" ክብል ገሊጹ። ኣባላት ሃገራት’ቲ ቤት ምኽሪ፣ ነቲ ተበግሶ ንክነጽገኦ’ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ጸዊዑ። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ግና፣ እቲ ኮምሽን ከምዝተመስረተ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣብ ዝተገለጸሉ እዋን ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ \"ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕ\/ሃ፣ ንዝተፈጸሙ ግፍዒታት ንምጽራይ ዘሐግዝ ኮምሽን ንክቀውም ዝወሰዶ ተበግሶ ከምዝድግፍ ምግላጹ\" ሮይተርስ ኣገልግሎት ዜና ሓቢሩ። ኣካቢት’ታ ኮምሽን ጋምቢያዊት ፋቱ ቤንሱዳ፣ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ዝነበረት፣ ንከይዲ መስርሕ ገበን ሩዋንዳ ኣብ ኣሩሻ ዓቃቢ ሕጊ ኮይና ዘገልገለት፣ ኣብ ሃገራ ጋምቢያ፣ ዋና ዓቃቢ ሕጊን ሚኒስትር ፍትሒንን ኣማኻሪ ሕጊ ፕረዚደንትን ካቢነን ኮይና ዝሰርሓትን እያ። ኬንያዊት ካኣሪ ቤትይ ሙሩንጊ፣ ኣብ መስርሕ ኣሳጋሪ ፍትሒ ህጡር ተመክሮ ዘለዋ፣ ኣብ ሕገ መንግስታዊ መሰላት ጾታን ደቂ ኣንስትዮ ዝተዋሰአት፣ ኣማኻሪት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ኮይና ትነጥፍ ዘላ፣ ኣብ እዋን ግጭት ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ትሕለቅ፣ ኣካቢት እቲ ኣብ ኬንያ ተመስሪቱ ዝነበረ ኮምሽን ኣናዳዪ ሓቂን ዕርቂን ዝመርሐት፣ ኣብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን፣ ወካሊት ኣፍሪቃ ኮይና ዝነጠፈት፣ ኣብ ደቡብ ሱዳንን ግዝኣት ፍልስጤማዊያንን’ውን አበርክቶ ዝገበረትን እያ። ኣመሪካዊ ስቴቨን ራትነር፣ ኣብ ክፍሊ ሕጊ ዩኒቨርሲቲ ሚሺገን ኣመሪካ ዝምህር ዘሎ፣ ኪኢላ ሕጊ ህዝባዊ ርክባት፣ ዓለምለኸ ሕጊ ሰብኣዊነት፣ ስትራተጂ ጸረ ግብረ ሽበራ፣ ተሓታታትነት ኣብ ግህሰት መሰላትን እዩ። ኣብ ስሪላንካ፣ ምስ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣብ ጄነቫ፣ ኣብ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን ኣብ መስርሕ ፍርዲ ብርክት ዝበሉ ክስታትን ሙግታትን’ውን ሰሪሑ እዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%8C%BD%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%88%85%E1%88%B0%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%98%E1%8C%BB%E1%88%AD%E1%8B%AD-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B0-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%89%86%E1%88%98-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6468536.html"} {"headline":"ኤርትራ ትርከበን ሓሙሽተ ሃገራት ኣንጻር ሩስያ ንዝግበር ጽኑዕ ውሳነ ተቓዊመን","content":"ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ኣመልኪቱ ትማሊ ኣብ ኣብ ዘሕለፎ ድምጺ፡ ኤርትራ ካብተን ሓሙሽተ ዝተቓወማ ሃገራት ኰይና ኣላ። እቲ ውሳነ ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬንን ዝዅንን ሩስያ ንእለቱ ሰራዊታ ካብ ዩክሬን ክትስሕብን ዝብል’ዩ። ኣብቲ ዝተኻየደ ድምጺ፡ 141 ሃገራት ኣንጻር ሩስያ ዝግበር ውሳነ ክድግፋ እንከለዋ፡ ዝተቓወማ ሃገራት ግን ሩስያ፡ ቤላሩስ፡ ኤርትራ፡ ሰሜን ኮርያን ሶርያን ጥራይ’የን። ካብ ኣባላት ሓፈሻዊ ባይቶ፡ ቻይናን ህንዲን ዝርከበአን 34 ሃገራት ድምጸን ክዕቅባ እንከለዋ፡ ኢትዮጵያ ግን ኣብቲ ድምጺ ምሃብ’ውን ዘይምስታፋ ተገሊጹ። እንተዀነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ሎሚ ኣብ ዘውጽኡዎ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ “ኵላቶም ወገናት ካብ ስቓይን ዕንወትን” ተቖጢቦም ናብ “ስምምዕን ሰላማዊ መንገዲን” ከምርሑ ተማሕጺኖም። እቶም ቀዳማይ ሚንስተር ግን ንወራር ሩስያ ብስሙ ኣይጠቐሱዎን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%B5%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A0%E1%8A%95-%E1%88%93%E1%88%99%E1%88%BD%E1%89%B0-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%8C%BB%E1%88%AD-%E1%88%A9%E1%88%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%8C%8D%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8C%BD%E1%8A%91%E1%8B%95-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8A%E1%88%98%E1%8A%95\/6468403.html"} {"headline":"ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ","content":"ብደብዳብ ከቢድ-ብረት ራዕዲ ዝኣተዎም፡ ካብ ስድራቤቶም ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብቲ ሓዊ ዝተፍእ ቃጸሎ መሬት ብእግሮም ክምርሹ ይረኣዩ። እቲ ትርኢት ኲናት ኢትዮጵያ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ብሕልፊ እኳ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ስደተኛታት ልሙድ እናዀነ ክመጽእ ጸኒሑ። ሕጂ ድማ በራሕለ ኣብ ዝተባህለ ኤርትራውያን ተወላዶ ዓፋር ኣብ ዝርከቡሉ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ተደጊሙ። ብኣገላልጻ እቶም ስደተኛታት እቲ ምሕረት-ኣልቦ መጥቃዕቲ ብሓይልታት ትግራይ ዝተፈጸመ’ዩ። ዛጊት ሓሙሽተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ቍጽረን ዘይተፈልጣ ደቀንስትዮ ድማ ተጨውየን። እቶም ንኸምልጡ ዕድል ዝረኸቡ ድማ ኣበየ ቦታታት ክልል ዓፋር፡ መጻኢኦም ኣብ ዘይፍለጠሉ ነብሶም ንምድሓን ይሃድሙ ኣለዉ። እታ ውሕስቲ መዕቆቢት ዝነበረት ኢትዮጵያ ሎሚ ከም ቀደማ ኣይኰነትን። ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣደዳ በበይኑ መጥቃዕታት ክዀኑ ደኣ ይጽንሑ እምበር፡ እዚ ናይ ክልል ዓፋርን ንተወላዶ ብሄረ ዓፋር ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ግን ናይ ፈለማ ምዃኑ’ዩ። እቲ ፍጻመ ግን ሰንኮፍ ኣተሓሕዛን ስእነት ጸጥታን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ማሕበረሰብ ዓለምን ተቓለስቲ ትግራይን ዘርኢ ምዃኑ ተንተንቲ የመልክቱ። ኣብ ትካል ረፉጂስ ኢንተርናሽናል (Refugees International) ላዕለወይቲ ኣማኻሪት ዝዀነት ሳራ ሚለር፡ “እዚ ሓደ መርኣያ፡ ኣብ ዝሓለፈ 15 ኣዋርሕ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ከጋጥም ዝጸንሐ መጥቃዕቲ’ዩ። ኢትዮጵያ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ውሕስቲ ከም ዘይኰነት ድማ እኹል ጭብጢ ኣሎ፡” ትብል። ድሕሪ ምዝዛም ዶባዊ ኲናት ክልተ ሃገራት፡ ካብ 2000 ዓመተ-ምህረት ኣትሒዞም ናብ ኢትዮጵያ ክውሕዙ ዝጀመሩ ኤርትራውያን፡ ቅድሚ ኲናት ኢትዮጵያ ምውላዑ፡ ብመሰረት ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ኣስታት 113-ሽሕ ነይሮም። መብዛሕትኦም ካብቲ ጨቋኒ ምልኪ ምምሕዳር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝሃደሙ’ዮም። ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝመጸ ለውጢን ምውላዕ ኲናት ትግራይን ድማ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ትግራይ፡ ብዅላቶም ኣካላት፡ ግዳይ መጭወይቲ፡ ቅትለት፡ ዓመጽን ኰይኖም። ከም ጸብጻብ ትካል ተሓላቒ መሰላት ህዩማን ራይትስ ዎች፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ብወተሃደራት ኤርትራን ተቓለስቲ ትግራይን ዝወረደ ግፍዒ ምስ “ገበናት ኣንጻር ኲናት” ክጽብጸብ ዝኽእል’ዩ። ሰራዊት ኤርትራ ነቲ ቦታ ድሕሪ ምቍጽጻሮም፡ ክልተ ካብተን መዓስከር ስደተኛታት ክምድሰሳ እንከለዋ፡ ኣሽሓት ድማ ደሃይ የብሎምን። ካብ ወርሒ ሓምለ ኣትሒዙ፡ እቶም ኣብተን ክልተ መዓስከራት ዘለዉ’ውን ካብ መሰረታዊ ቀረባት ተበቲኾም፡ ንሰፊሕ ስቓይ ተቓሊዖም ይርከቡ። ኣብ ወርሒ ጥሪ’ውን ሰለስተ ካብቶም ስደተኛታት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝተተኰሰ ድሮን ተቐቲሎም። እቲ ንተኽእሎታት ሰላም ንድሕሪት ዝመልስ ተባሂሉ ዝተገልጸ መጥቃዕቲ መዓስከር ስደተኛታት በራሕለ ብ3 ለካቲት’ዩ ጀሚሩ። ሓደ ካብቲ መጥቃዕቲ ዝሃደመ ስደተኛ“ቦምባ ከቢድ ብረት ናብቲ መዓስከር ክዓልብ ጀሚሩ። ሓይልታት ትግራይ ነቲ መዓስከር ካብ ዝተቖጻጸሩሉ እዋን ኣትሒዞም ድማ ዝምታን ራስያን ጀሚሮም፡” ይብል ። ካልእ፡ ካብ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ወዳን ንዕልታን ዝተፈልየት ሰበይቲ ድማ ደቀንስትዮ ጨውዮም ከም ዝወሰዱን ኣበይ ከም ዘለዋ ደሃይ ከም ዘይብሎምን ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢራ። ኣማኢት ስደተኛታት፡ ኣግዳ ሆቴል ኣብ ዝብሃል፡ ኣብ ከተማ ሰመራ ዝርከብ ስፍራ’ዮም ነብሶም ከዕቆቡ ሃዲሞም። ኣብኡ ንሰለስተ መዓልታት ብዘይ መግቢ ማይን ከም ዝጸንሑ ድማ ዓብዱ ኣሕመድ ዝተባህለ ዜጋ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ። ወሃብ-ቃል ክልል ትግራይ ግን ነቲ ክሲ “መሰረት-ኣልቦ” ክብል ይነጽጎ። ኣብ መዓስከር በራሕለ ዝተዓቝቡ ኣስታት 34-ሽሕ ስደተኛታት ደኣ ይንበሩ እምበር፡ ሕጂ ግን 14,250 ጥራይ ምርካቦም ወሃብ-ቃል ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሰመራ ኣስታት 40 ኪሎ-ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ “ሰርዶ” ዝተባህለ ቦታ ከጣይሶም መደብ ሒዙ ኣሎ። ከምዚኣቶም ንዝመስሉ ናይ ምግዓዝ መደባት ግን ዛጊት ልኡም ግብረ-መልሲ’ዩ ጸኒሑ። እቶም ክግዕዙ ዝዳለዉ ዘለዉ ስደተኛታት በቲ ዝወረደ ግፍዒ፡ ልቦም ሰንቢሩ ደኣ ይሃሉ እምበር፡ ኣብ መጻኢኦም ግን ውሳነ የብሎምን። “ኣምላኽ ንስድራይን ገዛይን እንተ ወሲዱለይ፡ ነቲ ጽሕፍቶ ክቕበሎ ደኣ’ምበር ካብ ካልእ ዝሓቶ የሎን፡” ትብል ሓሊማ ከዲር። ሓሊማ፡ ድሕሪ’ቲ መጥቃዕቲ፡ ደሃይ ሓደ ካብ ሽሞንተ ደቃ ጥራይ’ያ ረኺባ። ከም ኣገላልጻ ሳራ ሚለር ካብ ረፉጁስ ኢንተርናሽናል (Refugees International) ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓደ ኣብነት ናይ ኣብ እዋን ኲናት ዝርአ ጸገም ኣተኣላልያ ስደተኛታት’ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ኣበሳታት፡ ማሕበረሰብ ዓለም ምስ ነብሱ ክመሓሰብ ከም ዘገድዶ ድማ ትምጕት። ሳራ “ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝከላኸል የብሎምን። ውሕስነቶም ከነረጋግጽ ድማ ግዴታና’ዩ፡” ትብል። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%8B%B5-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8C%8D%E1%8D%8D%E1%8B%92\/6466971.html"} {"headline":"ካብ ምብራቕ ሃረርጌ ናብ ቀለም ወለጋ ዝተፈናቐሉ ተመዛበልቲ ሓገዝ ይረክቡ ከምዘየለው ገሊጾም","content":" እቶም ተፈናቐልቲ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ እቲ መዕቆቢ እኳ ደኣ ተወሳኺ ስቓይ ከምዝፈጠረሎምን፡ቆልዑትን ኣንስትን ብጥምየት ክሞቱ ከምዝጀመሩን ተዛሪቦም። እቶም ተፈናቐልቲ ብምውሳኽ፡ ክልላዊ መንግስቲ ኣቕድም ኣቢሉ ረድኤት መግቢ ይህቦም እንተነበረ`ኳ ሕጂ ግን ተቛሪጹ`ዩ ይብሉ። ኣማሓዳሪ ዞባ ቀለም ወለጋ ከምኡ ሓለፍቲ ህጹጽ ረድኤት ብወገኖም እቲ ረድኤት ዝተቛረጸ ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ዝተፈጥረ ኩነታት ጸጥታ`ዩ ኢሎም ኣለዉ። እቶም ሰበ-ስልጣን ወሲኾም ብሰንኪ ጥምየት ዝሞተ ሰብ ብዛዕባ ምህላዉ ግን መረዳእታ የብልናን ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%89%95-%E1%88%83%E1%88%A8%E1%88%AD%E1%8C%8C-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%89%80%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8C%8B-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8A%93%E1%89%90%E1%88%89-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%8A%AD%E1%89%A1-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%A8%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/6467063.html"} {"headline":"ብሰንኪ ኣብ ክልል ዓፋር ዝቐጸለ ውግእ ቁጽሪ ተመዛበልቲ ይውስኽ ምህላው ተገሊጹ","content":"ብሰንኪ ኣብ ክልል ዓፋር ዝቐጸለ ውግእ፡ ቑጽሪ ተፈናቐልቲ`ውን ይውስኽ ከምዘሎ ኣባላት ኣዋሃሃድቲ ረድኤት ክልል ዓፋር ይገልጹ`ለዉ። ሓዲሽ ሪፖርት ጉዳይ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ከምዝበሎ ድማ፡ ብውሕዱ 300 ሓደሽቲ ተመዛበልቲ ናብቲ ዝጸንሐ መዕቆቢ ከምዝኣተውን እቲ ቁጽሪ ይውስኽ ከምዘሎን ኣመልኪቱ`ሎ። እቲ ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ መጎዓዝያ ስለምንታይ ከምዝተዓጽወ፡ካብ ክልል ዓፋር ምላሽ ንምርካብ ዛጊት ኣይተኻእለን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%8C%B8%E1%88%88-%E1%8B%8D%E1%8C%8D%E1%8A%A5-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%8B%AD%E1%8B%8D%E1%88%B5%E1%8A%BD-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6467089.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ሕጽረት መድሃኒት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ብቀሊል ሕማማት ምሟቶም ተገሊጹ","content":"ኣብ ትግራይ፣ ብሰንኪ ሕጽረት ሕክምናዊ ናውቲን መድሓኒትን፣ ኣብ ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ፣ ልዕሊ 5,400 ሰባት ብቀሊል ሕማም ከምዝሞቱ ቢሮ ጥዕና’ቲ ክልል ገሊጹ። ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ካልኦት ትካላትን፣ ብነፈርቲ ሓገዝ ዋላ’ውን ንምብጻሕ እንተፈተኑ፣ ነዊሕ ዝቀጸለ ሕጽረት፣ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ነቲ ዝተረኽበ ሓገዝ'ውን ናብ ካልኦት ከባቢታት’ቲ ክልል ንምክፍፋል ዘይምኽኣሉን ተደማሚሩ፣ ቢሮ ጥዕና፣ ን 5 ሚእታዊት ከባቢታት ትግራይ ጥራሕ ክሽፍን ከምዝኻኣለ ኣብ’ቲ ሪፖርት ተጠቂሱ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%88%95%E1%8C%BD%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%83%E1%8A%92%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%88%BD%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%91%E1%8C%B8%E1%88%A9-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%89%80%E1%88%8A%E1%88%8D-%E1%88%95%E1%88%9B%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6464909.html"} {"headline":"ኣመሪካ ኣስታት 850 ሽሕ ዶዝ ክታበት ቫይረስ ኮሮና ንኢትዮጵያ ለጊሳ","content":"ኣመሪካ 840,060 ዶዝ ክታበት ኮቪድ19 ንኢትዮጵያ ከምዝለገሰት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ገሊጹ። እቲ ኤምባሲ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ \"እቲ ክታበት፣ ጽርየቱ ጽፉፍ፣ ምዕሩይ ምብጻሕ ዝተገብረሉን ቀንዲ ዕላምኡ ህይወት ሰብ ንምድሓን ሓሊኑ ከምዝኾነ\" ጠቂሱ። ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ዝላኣኸቶ ፋይዘር ዝዓይነቱ ክታበት ኮቪድ19፣ ምስ’ቲ ቅድሚ ሎሚ ዝለኣኸቶ ተደሚሩ ናብ 7 ሚልዮን ምብጽሑ’ውን መግለጺ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣፍሊጡ። ኣመሪካ ዛጊት ን110 ሃገራት፣ ልዕሊ 400 ሚልዮን ክታበት ኮቪድ19 ከምዝለገሰት’ውን ዝረኸብናዮ ዜና ሓቢሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-850-000-%E1%8B%B6%E1%8B%9D-%E1%8A%AD%E1%89%B3%E1%89%A0%E1%89%B5-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8A%95%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%88%E1%8C%8A%E1%88%B3\/6464931.html"} {"headline":"ክልል ትግራይ ብሕቡራት ሃገራት ዝተላእከ ሓገዝ ብዘይምብጻሑ ይኸስስ","content":"ብፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና 20 መካይን፡ ካብ ግቡእ ቦታአን ይበገሳ ደኣ’ምበር፡ ንኽልል ትግራይ ከም ዘይኣተዋን፡ ነዚ ድማ ተሓታቲ ክልል ዓፋርን መምርሒ ከተግብር ዘይከኣለ ፈደራላዊ መንግስቲን’ዩ ክብል ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ክልል ትግራይ ከሲሱ። እቲ ቤት ጽሕፈት ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ እተን መካይን ጽዕነት ክልል ትግራይ ንኽበጽሓ ብፈደራል መንግስቲ ፍቓድ ደኣ ይወሃበን እምበር፡ ኣብ ክልል ዓፋር ተዓጊተን ደው ምባለን ኣዝዩ ኣሕዛኒ ተርእዮን ንሞትን ጥሜትን ዘቓልዕ ውሳነን ክብል ብትሪ ኮኒኑዎ። ክልል ትግራይ፡ ምስ ኵላቶም መሻርኽቲ ኣካላት ምሉእ ምትሕብባር ክገብር ምዃኑ ዝጠቐሰ መግለጺ እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ዘፍቅድ መሲሉ ግን ከኣ ብሕልኽላኽ ቢሮክራሲ ሓገዛት ዘዳናጒ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዅንን ጸዊዑ። ካብ መንግስታዊ ኣካልን ክልል ዓፋርን ግብረ መልሲ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰለጠን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%88%95%E1%89%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8A%A5%E1%8A%A8-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%91-%E1%8B%AD%E1%8A%B8%E1%88%B5%E1%88%B5\/6464723.html"} {"headline":"ድምጺ ኤርትራዊያን ካብ ዩክሬን","content":"ድሕሪ ኣብ መንጎ ዩክሬን ሩስያን ዝጸንሐ ውጥረት ናብ ኲናት ምቕያሩን ወታሃደራት ሩስያ ናብ ዋና ከተማ ዩክሬን ኪየቭ የምርሑ ምህላዎም ነበርቲ ከተማ ኪየቭ ብፍላይ ብሓፈሻ ድማ ነበርቲ ዩክሬን ንሃገሮም ገዲፎም ብብዝሒ ናብ ስደት የምርሑ ምህላዎም ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን ንትምህርቲ ናብ ዩክሬን ዝኣተው ብዝተፈላለየ ምክንያት ትምህቶም ክቕጽሉ ዘይከአሉ ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያዊያንን ንዝሓለፈ ኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ሕጂ ድማ እቲ ዝርከብዎ ቦታ ንድሕነቶም ኣስጋኢ ምዃኑ ብተመሳሳሊ ኩነታት ኣብ ክልተ መዓስከራት ዝነበሩ ከምዝተለቑ ንሶም ዝርከብዎም ኣስታት 120 ሰባት ዝሓዘ መዓስከር ግን ከምዘይተለቑ ይሕብሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BA-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%A9%E1%8A%AD%E1%88%AC%E1%8A%95\/6463416.html"} {"headline":"ድሕሪ ወራር ዩክሬን፡ ኣፍሪቃ ክሕሻ ድዩ ክደግሳ?","content":"ሩስያ: ንዩክሬን ድሕሪ ምውራራ ምስ ግዜ ዝርኣዩ ሓያሎ ፖለቲኮ-ቁጠባዊን ማሕበራዊን ለውጥታት ምኽሳቶም ዘይተርፍ’ዩ። እቲ ክመጽእ ዝኽእል ለውጢ ብዓለም፡ ብኣፍሪቃ፡ ካብኡ ናብኡ’ውን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ክህሉዎ ዝኽእል ጽልዋ ንዶክተር ሚኪኤል ወልደማርያም ኣዘራሪብናዮ ኣሎና። ዶክተር ሚኪኤል ተሓባብሪ ፕሮፈሰር ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠትን ከምኡ’ውን ዳይረክተር ማእከል ኣፍሪቃ ኣብ ቦስተን ዩኒቨርስቲ’ዩ። ሩስያ ንዩክሬን ወሪራታ ኣላ፡ ብኣናብብኻ ብዘይካ ሓይሊ ንምርኣይ ሩስያ እትረኽቦ ረብሓታት’ዶ ይዓቢ ወይስ ንዕኡ ስዒቡ ዝመጽእ ክስራታት? ዶ\/ር ሚኪኤል፤ ጽቡቕ ሕቶ’ዩ። ረብሓታትን ክሳራታትን እዚ ወራር ንሩስያን ስርዓት ፑቲንን ቀስ ኢሉ ምስ ከይዲ ዝርአ ጉዳይ’ዩ። እቲ ኩነታት ቀልጢፉ ዝለዋወጥ ብምዃኑ ምስ ግዜ ዝርአ’ዩ። ብኣናብባይ እዚ ወራር ንፑቲንን ወተሃደራዊ ክንፊን ሓጺር ወተሃደራዊ ረብሓታት ክህሉዎ ይኽእል ይኸውን። ነቲ ብህዝቢ ዝተመርጸ መንግስቲ ዩክሬን ክዓልዉን ንዓኣቶም ዝሰማምዕ ከምጽኡን ይኽእሉ ይዀኑ። ኣብ ዝተናውሐ እዋን ግን ንሩስያ ከቢድ ዋጋ ከኽፍላ’ዩ። ምስ ምዕራብ ዝህሉዋ ዝምድና ክዕጾ’ዩ፡ እዚ ድማ ኣብ ሩስያ ከቢድ ቍጠባዊ ተጽዕኖ ክፈጥር’ዩ። ንዕኡ ስዒቡ ምድልዳል ወተሃደራዊ ዕጥቂ ኤውሮጳ፡ ብሕልፊ ድማ ምብራቕ ኤውሮጳ ክንርኢ ኢና። እዚ ከኣ ኣብ ንሩስያ ቅሳነት ዝህብ ኣይክኸውንን’ዩ። ታሪኽ፡ ስምዒታት ህዝቢን ካልእ ረቛሒታትን ምስ እንዕዘብ’ውን ሩስያ ኣብ ዝተናውሐ እዋን’ውን ይዅን ኣብ ዩክሬን ናታ ተማእዛዚ ስርዓት ክትፈጥር ትኽእል ኣይመስለንን። ምዝካር ዘድልዮ ነጥቢ ግን ኣሎ--ነዊሕ መደባትን ስትራተጃዊ ረብሓታትን ሃገረ ሩስያን ፑቲንን ሓደ ኣይኰኑን። ካብዚ’ኸ ናበይ ገጹ ዝኸይድ ይመስለካ? ኣብ ሓጺርን ዝተናውሐን እዋን? ዶ\/ር ሚኪኤል፤ ብዙሓት ተኽእሎታት’ዮም ዘለዉ። ሓደ እቲ ወተሃደራዊ ግጥም ንምቍጽጻር ዩክሬን’ዩ። ሽሕ’ኳ ሩስያ ዓይነትን ብዙሒን ወታህደራዊ ጸብለልታ እንተለዋ፡ ኣብ ባይታ ግን ብድሆታት ይገጥማ ኣሎ። እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ውሑድ መዓልታት ጥራይ ደኣ ይግበር እምበር፡ ዩክሬናውያን ተሪር ተቓውሞ የርእዩ ኣለዉ። መንግስቲ ዩክሬን ከኣ ህዝባዊ ደገፍ ኣለዎ። ውዒላ-ሓዲራ ርእሰ-ከተማ ኪየቭ ምትሓዛ ኣይተርፋን’ዩ። ድሕሪኡ ግን እቲ ቃልሲ መልክዑ ክቕይር ዝኽእል ይመስለኒ። ምናልባት ሩስያ ንምብራቕን ምዕራብን ዩክሬን ክትከፋፍል ትኽእል ትኸውን። እዚ እትገብረሉ ዕላማ ነታ ሃገር ንምልማስ’ዩ። በዚ ኾነ በቲ ግን ድሕሪኡ’ውን እቲ ኲናት ምቕጻሉ ዘይተርፎ’ዩ። ሓይልታት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ኣብቲ ኲናት ብቐጥታ ክኣቱ ዘለዎ ተኽእሎ ከመይ ይርኣየካ? ዶ\/ር ሚኪኤል፤ ኣብዚ መድረኽ’ዚ ብኣረኣያይ ኣዝዩ ውሑድ ተኽእሎ’ዩ ዘሎ። ሃገራት ምዕራብ፡ ንዂናት ክኣትዋ ሸውሃት ከም ዘይብለን ደጋጊመን የምልክታ ኣለዋ። ዩክሬን ከኣ ኣባል ኔቶ ኣይኰነትን። ቻርተር ኔቶ ድማ ንዘይኣባል ሃገር ናይ ምክልኻል ግዴታ የብሉን። ኣባላት እዚ ኪዳን ንዩክሬን ኣጽዋር የዕጥቓኣ ከም ዘሎን ዝጸንሐን ርዱእ ኰይኑ፡ እዚ’ውን ነቲ ወጥሪ ኣብ ምግዳድ ተራ ተጻዊቱ’ዩ። ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኣብ ምብራቕ ኤውርጳ ዘለዋ ጽምዶ እናለወጠቶ’ያ ክትምጽእ ጸኒሓ። እዚ ኣብ ሃገራት ባልካን ዘዋሪ ወተሃደራዊ ህላወ ብምግባር’ያ ከተካይዶ ጸኒሓ። ሕጂ ግን ምናልባት ናብ ምሉእ ዕጥቂን ቀዋሚ ድፋዕን ኣብቲ ዞባ ከተስግሮ ተኽእሎ ኣሎ። ስለዚ ብዝተፈላየ ምልክዑ ኔቶ ግብረ-መልሲ ክትህብ ትኽእል ይመስለኒ። ሓያሎ ዓበይቲ ሃገራት ከም ኣመሪካ፡ ጀርመንን ካልኦት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ማዕቀብ ይገብራ ኣለዋ። እዚ ንገስጋስ ሩስያ ክገትኦ ዝኽእል መሲሉ’ዶ ይስመዓካ? ዶ\/ር ሚኪኤል፤ ማዕቀብ ምግባር ኣብዚ ሕጂ እዋን ክህሉዎ ዝኽእል ተራ ንምግማት ከቢድ’ዩ። ኣብ በበይነን ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ብዛዕባ ተኽእሎታት ማዕቀብ ነዊሕ ክዝረብ ጸኒሑ’ዩ። ፑቲን ከኣ ንዕኡ እናፈለጠ’ዩ ነዚ ኲናት ኣትዩዎ ዘሎ። ሕጂ ግን እቲ በበወገኑ ዝብሃል ዘሎ ማዕቀባት ኣዝዩ እናተረረ ይመጽእ ከም ዘሎ ርዱእ ኰይኑ ኣሎ። እዚ ከኣ ንፑቲን ዓቢ ጽፍዒት ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኣቐዲሞም ልኡም መርገጺ ዝነበረን ሃገራት ከይተርፋ’የን ሕጂ ንተሪር ማዕቀብ ዝድግፋ ዘለዋ። ዋላ’ኳ እቲ ማዕቀባት ካብ ዩክሬን ክስሕብ ኣየኽእሎ ደኣ’ምበር፡ ካልእ ዘይተገመቱ ሳዕቤናት ግን ክህልዉ’ዮም። ስለዚ ነቲ ዘሎ ገስጋስ ክቕይር ኣይኽኣል ደኣ’ምበር፡ ንፑቲን ግን ካብቲ ክወስዶ ዝኽእል ዓበይቲ ዕንወታት ክገትኦ ዝኽእል ይመስለኒ። እዚ ናይ ዩክሬን ወራር’ከ ብዓለም ደረጃ እንታይ ዓይነት ቍጠባዊ፡ ፖለቲካዊን ካልእ ለውጥታትን ከምጽእ ኢልካ ትግምት? ዶ\/ር ሚኪኤል፤ ዓለማዊ ቍጠባዊ ጸገማት ከምጽእ ምዃኑ ርዱእ’ዩ። ኣብዚ ዓለማዊ ምትእስሳራር ቍጠባ፡ ሩስያ ብሕልፊ ከኣ ኣብ መዳይ ቀረባት ጸዓት ኣካሉ’ዩ ነይራ። ስለዚ ዕዳጋ ጸዓት ክንህር’ዩ። ኣብ ልዕሊ ሩስያ ቍጠባዊ ማዕቀብ ምንባር ድማ ኣብ በበይኑ ፍርያት ኤውሮጳ ኣሉታዊ ተራ ክህሉዎ’ዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ መንጎ ቻይናን ሩስያን ዝሓየለ ቍጠባዊ ኪዳን ክንርኢ ትጽቢት ይግበር። ብኻልእ ወገን ድማ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ንሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ጎድኑ ከሰልፈን ክፍትን’ዩ። ዋላ’ኳ ዝሑል ኲናት ደኣ ኣይዅን እምበር፡ ምስኡ ዝመሳሰል፡ ምትፍናንን በበብይኑ ኪዳናትን ዘለዎ ተርእዮ፡ ዝጽበየና ዘሎ መሲሉ ይስመዓኒ። እዚ ኣብ መንጎ ሃገራት ምዕራብን ሩስያን ኰይኑ፡ ቻይና ድማ ኣካል’ቲ ክመጽእ ዝኽእል ምልውዋጥ ሓይሊ ክትከውን’ያ። እዚ ወራር’ከ ንኣፍሪቃ፡ ብቐንዱ ድማ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኸመይ ክጸሉዎ ይኽእል? ዶ\/ር ሚኪኤል፤ እዚ ምስቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ ዓለማዊ ወጥሪ ኣብ መንጎ ሩስያ፡ ምዕራብን ዘይተርፍ ከኣ ሕጂ ቻይና እትሕወሶን ኣብ መቓን የእቲኻ’ዩ ክርአ ዝኽእል። እዚ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ብቐንዱ ድማ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጽልዋ ክህሉዎ ምዃኑ ኣይሰሓትን። ንቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍሉይ ዝጸልዎ ድማ በቲ ዘለዎ ናይ ቀይሕ ባሕሪ፡ ባብኤል መንደብን ንብዙሕ ነገራት ቀንዲ ኣፍደገ ብምዃኑ’ዩ። ሩስያ፡ ኣብ ቀይሕ-ባሕሪ መዓስከር ንምትካል ኣብ ምፍታሽ ከም ዘላ ጭቡጥ ሓበሬታ ኣሎ። ብተመሳሳሊ ኣብ ናይ ሱዳን ማያዊ ዶባት ቀይሕ-ባሕሪ፡ ሩስያ ናይ ሓይሊ ባሕሪ መዓስከር ንምትካል ኣብ ምጽፋፍ ከም ዘላ ጸብጻባት ኣሎ። ሃገራት ምዕራብ ንህላወ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ክብደት ክህበኦ ኣይጸንሓን። ሕጂ ግን ፍሉይ ኣቓልቦ ክረክብ’ዩ። ብድምሩ ንኣፍሪቃ ግድን ክጸልዋ’ዩ። ዝሑል ኲናት ኣብ ኣፍሪቃ ብዙሕ ተራ ገይሩ’ዩ፡ እዚ ሓድሽ ምትፍናን ከኣ ተመሳሳሊ ውጽኢት ክህሉዎ ይኽእል። ካልእ ክጠቕሳ ዝደሊ ነጥቢ ግን ኣላ። ፑቲን ፍሉይ ቅዲ መሪሕነት’ዩ ዘለዎ። ንሱ ድማ መላኺ፡ ሃገራዊን ሓያልን ምዃኑ’ዩ። ከምዚ ናይ ፑቲን ቅዲ ክኸተሉ ዝደልዩ መራሕቲ ዓለም ድማ ብዙሓት’ዮም። ሓያሎ ካብኣቶም ኣብ ኣፍሪቃ ኣለዉ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ እቲ ቍጽሪ ዓይቢ--ንፑቲን ክቐድሑ ዝደልዩ ውሑዳት ኣይኰኑን። ኣብ ዩክሬን ዝህሉ ምዕባለ ድማ ነቶም ከምኡ ዓይነት መራሕቲ ድርኺት ክዀኖም ወይ ድማ ክገትኦም ይኽእል’ዩ። መራሕቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ እቲ ምትፍናን ናበይ ገጹ ይኸይድ ብደቂቕ ይከታተሉዎ ከም ዘለዉ ኣየጠራጥርን። ኵላቶም ድማ ብስትራተጃዊ ረብሓ’ዮም ዝርእዩዎ። ኣብ መንጎ ሩስያን ሃገራት ምዕራብን ንዝሑል ኲናት ዝመሳሰል ምትፍናን ክህሉ እንከሎ፡ መራሕቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ ነብሶም ኣብኡ ንምእታው’ዮም ዝሕልኑ ዘለዉን ነቲ ኩነታት ዘንብቡዎን። እዚ’ኸ ክሳብ ክንደይ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቅልጡፍ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ይመስለካ? ቅድሚ ቀረባ መዓልታት ምኽትል ወተሃደራዊ ኣዛዚ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ (ሕሜቲ) ናብ ሩስያ በጺሑ ነይሩ’ሞ ክሳብ ክንድኡ ቅልጡፍ ለውጢ ክንርኢ ተኽእሎ ኣሎ ድዩ? ዶ\/ር ሚካኤል፤ እወ። ምብጻሕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ (ሕሜቲ) ሓደ መርኣያ ናይቶም ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎም ጸቐጥቲ ወይ ድማ ከምኡ ንምዃን ዝሓልሙ መራሕቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ መሓዙትን ባርኾትን ንምድላይ ዝገብሩዎ ዘለዉ ፍተሻ’ዩ። ፑቲን ንምልካዊ ምምሕዳሮም ዝድግፍ መራሒ ምዃኑ’ዮም ዝርእዩዎ። እቲ ወተሃደራዊ ክንፊ ሱዳን ድማ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ከሰጋግር ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከቢድ ጸቕጢ’ዩ ዘለዎ። ስለዚ እቲ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ሱዳን ኣዕሩኽን ካልእ ዕድላትን ክደሊ ባህርያዊ’ዩ። !","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%8B%88%E1%88%AB%E1%88%AD-%E1%8B%A9%E1%8A%AD%E1%88%AC%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%AD%E1%88%95%E1%88%BB-%E1%8B%B5%E1%8B%A9-%E1%8A%AD%E1%8B%B0%E1%8C%8D%E1%88%B3-\/6463470.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ደቡብ ክልል ዳግማይ ብዝተለዓለ ለበዳ ሕማም ዓሶ 24 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ","content":"ድሕሪ 10 ዓመታት ዳግማይ ብዝተላዓለ ለበዳ ዓሶ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 24 ሰባት ምሟቶም ቢሮ ጥዕና ክልል ደቡብ ኣፍሊጡ። መጠን ምስፍሕፋሕ ዓሶ ብ23% ከምዝወሰኸ ኣብ ቢሮ ጥዕና ናይቲ ክልል ዳይረክቶረት ዳይረክተር ምክልኻል ሕማማትን ምድንፋዕ ጥዕናን ኣቶ ማሌ ማቴ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም። እቲ ምስፍሕፋሕ ከም ብሓዱሽ ዝተላዕለ ምንፃግ ጸረ-ዓሶ ኬሚካል ስለዘይተኻየደን ብለገስቲ ረድኤት ይውሃብ ዝነበረ ናይ ጣንጡ መከላኸሊ ዛንዜራ(ላምስያ) ስለዝተቛረፀን እዩ ኢሎም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%B3%E1%8C%8D%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%88%E1%8B%93%E1%88%88-%E1%88%88%E1%89%A0%E1%8B%B3-%E1%88%95%E1%88%9B%E1%88%9D-%E1%8B%93%E1%88%B6-24-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6463176.html"} {"headline":"ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጽየን ተዓዋቲ ቱር ሩዋንዳ 2022 ኮይኑ","content":"ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ኢጣልያዊት ጋንታ ኣንድሮኒ ጂካቶኒ ናትናኤል ተስፋጽየን ኣብቲ ትማሊ ዝተዛዘመ ቱር ሩዋንዳ 2022 ብሓፈሻዊ ጊዜ ቐዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ'ሎ። ኣብ ሻድሻይን ሻውዓይን መድረኽ'ቲ ውድድር ብዘመዝገቦ ዓወት ወናኒ ቢጫ ማልያ ዝኾነ ናትናኤል ተስፋጽየን ነቲ ትማሊ ሰንበት ዝተኻየደ 75.3 ኪ.ሜ ዝሸፈነ ሻሙናይን መዛዘሚን መድረኽ 10ይ ኮይኑ ብምዝዛም ብውህሉል ጊዜ ቐዳማይ : ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ'ቲ ዙር: ከምኡ'ውን ዝበለጸ መንእሰይ ተወዳዳይ ብምዃን ተዓዊቱ'ሎ። ናትናኤል ተስፋጽየን ኣቐዲሙ ኣብ 2020'ውን ተዓዋቲ ቱር ሩዋንዳ ምዃኑ ይፍለጥ። ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ባይክ ኤድ ሄኖክ ሙሉብርሃን'ውን ብውህሉል ጊዜን ኣብ ዝበለጸ መንእሰይ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ'ቲ ዙር ካልኣይ ብምዃን ዙር ሩዋንዳ 2022 ዛዚሙ'ሎ። ኣብቲ ካብ የካቲት 20 ክሳብ 27 ዝተኻየደ ሸሞንተ መድረኻት ዝሓዘ ቱር ሩዋንዳ 2022 ዝተሳተፉ ኣብ ዝተፈላለየ ጋንታታት ዝስለፉ ኤርትራዊያን ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ ናትናኤል ተስፋጽየን: ሄኖክ ሙሉብርሃንን መትከል ኢዮብን ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻትን' ቲ ውድድር ልዑል ዓወት ኣመዝጊቦም'ዮም። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ቱር ሩዋንዳ 2022 ኣይተሳተፈትን ። ምስ ናትናኤል ተስፋጽየን፥ ሄኖክ ሙሉብርሃንን መትከል ኢዮብን ቕድሚ ምዝዛም'ቲ ውድድር ሓደ መዓልቲ ዝተኻየደ ቃል መሕትት ኣብዚ ምክትታል ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%89%B0%E1%89%90%E1%8B%B3%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8A%93%E1%89%B5%E1%8A%93%E1%8A%A4%E1%88%8D-%E1%89%B0%E1%88%B5%E1%8D%8B%E1%8C%BD%E1%8B%A8%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%8B%E1%89%B2-%E1%89%B1%E1%88%AD-%E1%88%A9%E1%8B%8B%E1%8A%95%E1%8B%B3-2022-%E1%8A%AE%E1%8B%AD%E1%8A%91\/6462782.html"} {"headline":"ርእይቶ ኢትዮጵያዊያን ተማሃሮ ካብ ከተማ ኪየቭ ዩክሬን","content":"ድሕሪ ወታሃደራዊ መጥቓዕቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ኣብ ርእሰ ኸተማ ዩክረይን ኪየቭ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ተማሃሮ ናብ ዶብ ዩክሬን ናብ ዝርከባ ከተማታት የምርሑ ምህላዎም ገሊጾም። እቲ ኩነታት ኣዝዩ ዘስግእ ምኻኑ'ዉን ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ክልተ ኢትዮጵያውያን ገሊጾም'ለው። ​ ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%83%E1%88%AE-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%AA%E1%8B%A8%E1%89%AD-%E1%8B%A9%E1%8A%AD%E1%88%AC%E1%8A%95\/6459759.html"} {"headline":"ሰማዒ ኣልቦ ኣውያት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ","content":"ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ኢትዮጵያ፡ ኣደራዕ ናይ በበይኖም ሓይልታት ዝዀኑ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ኢትዮጵያ--ብቐንዱ ግን ክልል ትግራይ--ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት’ዮም። ምስ ቅልጡፍ ምልውዋጥ ዓውደ-ኲናት፡ ምብታኽ መራኸቢታት፡ ምእዋጅ ህጹጽ ኣዋጅ ዘስዓቦ ቅልውላው... ብዝተፈላለየ ደረጃ ንኹነታቶም ጸልዩ’ዩ። ሽሕ’ኳ ዜጋታት’ውን ግዳይ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት እንተዀኑ፡ ጉዳይ’ቶም ስደተኛታት ዝያዳ ዘብእሶ ግን ተሓላቒ ኣካል’ውን ስለ ዝሰኣኑ’ዩ። ዘይመኽሰባዊ ትካል ኤሪ-ይኣክል፡ ኣብ በበይኑ ወገናት ኢትዮጵያ ምስ ዝርከቡ ስደተኛታት ብቐረባ ዝከታተል ዘሎ ኣካል’ዩ። ነቲ ጉዳይ ኣመልኪትና ንኣባል ቦርድ እቲ ትካል ኣቶ ከሰተ በራኺ ኣዘራሪብናዮ ኣሎና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%9B%E1%8B%92-%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%89%A6-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/6459700.html"} {"headline":"ፈጻሚት ስራሕ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይነን ዝተመደባ ኣምባ. ትሬሲ ኣን ጃኮብሰን ኣዲስ ኣበባ ኣትየን","content":"ላዕለወይቲ ኣባል ኣገልግሎት ጉዳያት ወፃኢ ዝኾና ኣምባሳደር ትሬሲ ኣን ጃኮብሰን ኣብ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፈጻሚት ጉዳያት ኮይነን ክሰርሓ ተመዲበን ሎሚ ኣዲስ ኣበባ ኣትየን። ኣምባሳደር ትሬሲ ኣን ጃኮብሰን ኣቐዲመን ኣብ ኮሶቮ፣ታጃኪስታንን ቱርክመኒስታንን ኣምባሳደር ብምኳን፣ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ሓላፊት ጉዳያት ዓለምለኸ ትካላት፣ምኽትል ዳይረክተር ኢንስቲዩት ኣገልግሎት ጉዳያት ወፃኢ፣ከምኡ እውን ኣብ ዋይት ሃውስ ናይ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ምኽትል ፈፃሚ ፀሓፊት ብምዃን ኣገልጊለን እየን ክብል ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝወፀ ፅሑፍ የመልክት።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%88%E1%8C%BB%E1%88%9A%E1%89%B5-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8A%A4%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AE%E1%8B%AD%E1%8A%90%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%B0%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3-%E1%89%B5%E1%88%AC%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%8A%95-%E1%8C%83%E1%8A%AE%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%A8%E1%8A%95\/6459596.html"} {"headline":"ኣድሓኖም ገብረማርያም ፋውንደሽን ንማሕበራዊ ፍትሒ","content":"ዋሽንግተን — ብኤርትራውያን ሰብ-ሞያን ወለንተኛታትን ዝተበገሰ ፋውንደሽን ኣድሓኖም ገብረማርያም ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ ተመስሪቱ''ሎ። ኣቦ መንበር ቦርድ ዶ\/ር ረዘነ መድሓኒ፣ ዕላማ'ቲ ማሕበር ኣብ ኤርትራ ማሕበራዊ ፍትሒ ንዘሰጉሙ ተበግሶታት ባይታ ንምፍጣር ምዃኑ ገሊጹ'ሎ። ኣድሓኖም ገብረማርያም ፋውንደሽን ንማሕበራዊ ፍትሒ፡ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝተመዝገበ ዘይመኽሰባውን ዘይፖለቲካውን ትካል'ዩ። ኣምባሳደር ኣድሓኖም ካብ መንጎ'ቶም ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ለውጢ ዝሓተቱ ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ኮይኑ ልክዕ ቅድሚ ዓመትኣብ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ ምዕራፉ ይፍለጥ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%8B%B5%E1%88%93%E1%8A%96%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%9B%E1%88%AD%E1%8B%AB%E1%88%9D-%E1%8D%8B%E1%8B%8D%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%92\/6459221.html"} {"headline":"ግጭት ኢትዮጵያ ናብ ዓፋር ሰፊሑ ሆስፒታል ብቑሱላት ተፃቢቡ","content":"ድሕሪ ናይ ልዕሊ ሓደ ዓመት ግጭት ፌደራል መንግስትን ሓይልታት ትግራይን ሕዚ እቲ ውግእ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዳርጋ የለን።ንናይ ትግራይ ኣባያን መጥቓዕትታት ግብረ መልሲ ንምሃብ ስቪላት ዓርሰምክልኻል ኣብ ዝፈጠርሉ ጎረቤ ት ክልል ዓፋር ግን እቲ ግጭት ቀፂሉ ኣሎ።ኣብ ከተማ ኣፍዴራ እቲ ቀንዲ ሆስፒታል ብዝቖሰሉ ሰባት ተፃቢቡ ኣሎ። ዓይሻ ኑር ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ኣብዓላ ዝርከብ ገዝኣ ብከቢድ ብረት ክውቃዕ ከሎ ንብዓል ቤታን ሸሞንተ ደቆምን ቁርሲ ኣብ ምድላው ነይራ። እቲ ፍንጀራ ንወዲ 10 ዓመት ኑር ዳርሳ እግሩ ኣቑሲሉዎ፣ወዲ ትሽዓተ ዓመት ጣሂር ዳርሳ ድማ ገፁ ተቓፂሉ።ዓይሻ ኑር ዝቖሰሉ ደቃ ናብ ዱብቲ ሆስፒታል ክትወስዶም ክኢላ ስድርኣ ግን ተፈላሊዩ።ዓይሻ ‘’ህይወትና ንምድሓን ኣብዚ ኣለና፤እቲ ኩነታት ግን ንስድራና ሓደገኛ እዩ።ብህይወት ይሃልው ኣይሃልው ኣይንፈልጥን’’ ትብል። እቲ ሆስፒታል ብቕልጡፍ ብዝዓበየ ውግእ ክፍልታቱ ብቁሱላት ብምምልኡ ቤተ ንባቡ ወይ ላይብረሪኡ ንመደቀሲ ቑሱላት ይጥቀመሉ ኣሎ። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሆስፒታል ዱብቲ ዶክተር ሓሰን ዓደን ‘’ኣካሎም ዝተቐደዱ፣ኣብ ከብዶም ዝቖሰሉ፣ገለ ድማ ኣብ ርእሶም ዝተወቕዑ፣ከቢድ ናይ ኣእምሮ መቑሰልቲ ዘጋጠሞም ሕሙማት ኣለውና።ብሰንኪ እቲ ፈንጀራ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ዝተቖረፁ ቆልዑ እውን ኣለውና’’ ይብል። ዶክተር ሓሰን ካብቲ ኵናት ይሃድሙ ከምዝነበሩንሓደጋ መኪና ከምዘጋጠመን ኣስታት ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም ዕድለኛታት ዝኾኑ ድማ ብህይወት ተሪፎም ናብ ሆስፒታል ኣምፂኢናዮም ይብል። ኩነታት ሆስፒታል ግን ትሑት እዩ።ሕፅረት ኣልጋ፣ናይ ሕክምና ቀረባትን ማይን ኣድላይ መጥባሕትታት ከይገብሩ ይኽልክሎም ኣሎ።ሪፖርተርና ቪንሲየስ ኣሲስ እቲ ሆስፒታል ከምዚ ኣብቲ ክልል ዋና ሆስፒታል ምዃኑን 150 ዓራት ኣለዎ፤ግን ኣብዚ ሕዚ እዋን 250 ተሓክመቲ ኣለዎ ይብል። ሓይልታት ትግራይ ኣብቲ ብማዕድን ሃፍታም ዝኾነ ክልል መጥቓዕቲ ምስፈነው ኣብ ክልል ዓፋር እቲ ውግእ ኣብ ጥሪ እዩ ገዲዱዎ ቀፂሉ።ኣብኡ ዝነብሩ ስቪላት ስኣን ሓገዝ መንግስቲ ቅሬቶም የስምዑ ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD-%E1%88%B0%E1%8D%8A%E1%88%91-%E1%88%86%E1%88%B5%E1%8D%92%E1%89%B3%E1%88%8D-%E1%89%A5%E1%89%91%E1%88%B1%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8D%83%E1%89%A2%E1%89%A1-\/6457432.html"} {"headline":"መራሒ ሰራዊት \"ግንባር ናጽነት ጋምቤላ\" ኢዶም ምሃቦም ተገሊጹ","content":"መራሒ ሰራዊት ንገዛእ ርእሱ ግንባር ናጽነት ጋምቤላ ኢሉ ናይ ዝጽውዕ ጉጅለ ኣቶ ዛን ድዌር ብሰላማዊ መንገዲ ንምቅላስ ኢዶም ሂቦም ክብል ቤት ጽሕፈት ፕረስ ሰክረታርያት ክልል ጋምቤላ ኣፍሊጡ። ሓላፊ'ቲ ቤት ጽሕፈት ኣቶ ኣዲንግ ኡጌቱ ኣቶ ዛን ድዌር ኢዶም ዝሃቡ መንግስቲ ክልል ጋምቤላ ብዝገበሮ መጸዋዕታ ሰላም'ዩ ክብሉ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ብዛዕባ'ዚ ኢድ ምሃብ'ዞም መራሒ ሰራዊት ግንባር ናጽነት ጋምቤላ ካብቲ ዕጡቅ ጉጅለ ዛጊት ዝተሰምዐ የለን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%92-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8C%8D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%8A%93%E1%8C%BD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8C%8B%E1%88%9D%E1%89%A4%E1%88%8B-%E1%8A%A2%E1%8B%B6%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%88%83%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6457812.html"} {"headline":"ኣባላት ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ዝዀኑ ተወላዶ ትግራይ ንሃገሮም ምምላስ ይኣብዩ","content":"ኣቢየ ኣብ ዝተባህለ ኣከራኻሪ ስፍራ ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን ተዋፊሮም ዝጸንሑ ኣባላት ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ኢትዮጵያ ንሃገሮም ምምላስ ኣብ ዝዳለዉሉ፡ ተወላዶ ትግራይ ድሕነቶም ብምስጋእ ክጸንሑ ከም ዝመረጹ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሰይትድ ፕረስ ንኽልተ ካብቶም ወተሃደራት ብምውካስ ጸብጺቡ። ንሳቶም ወሲኾም፡ ሕቡራት ሃገራት ግቡእ ምትሕብባር የርኢ ከም ዘየሎ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ካልኦት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣብቲ ተልእኾ ዘለዉ ወተሃደራት’ውን ብተመሳሳሊ ክምለሱ ፍቓደኛታት ዘይምዃኖም ኣመልኪቶም ኣለዉ። ካብቲ መዓስከር ሃዲሞም ኣብ ውሑስ ቦታ ኰይኖም ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ዝተዛረቡ ወተሃደራት፡ ንተወላዶ ትግራይ ዘላቶም እንኮ ምርጫ ንኽምለሱ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሑን ምስቃል ብምሕሳምን ምዃኑ የመልክቱ። እቲ ዜና ከም ዝውስኾ፡ እቶም ተወላዶ ትግራይ ዝዀኑ ኣባላት ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን “ኲናትን ምጽናት ዓሌትን ደው ይበል” ዝብል ተቓውሞ ኣስሚዖም ነይሮም። ብላዕለዎት ሰብ-መዚ እቲ ተልእኾ፡ እቶም ወተሃደራት ንቦታኦም ምስ ዝምለሱ ውሑሳት ምዃኖም ደኣ ይነገሮም እምበር፡ ንውሕስነቶም ዝቐረበ ዝርዝር ሓበሬታ ግን የለን። ኣሶሰይትድ ፕረስ፡ ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ግብረ-መልሲ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ከም ዘይተዓወተ ኣመልኪቱ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8B%93%E1%89%83%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%89%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8B%80%E1%8A%91-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B6-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%B5-%E1%8B%AD%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%A9\/6457424.html"} {"headline":"መግለጺ ሚ\/ጉ\/ወ ኢትዮጵያ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት","content":"ኣብ 2019 ዓ.ም ካብ ዝተመስረተ መድረኽ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ምግላል ግቡእ ኣይኮነን ክብል ብደረጃ ምኽትል ቀዳማይ ሚንስትርን ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢን ኣቶ ደመቀ መኮነን ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኻት ኣረዲኡ ክብሉ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊጾም። እቲ ጉጅለ ነዚ ምግላል ኢትዮጵያ ካብ መድረኽ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ግቡእ ኣይኮነን ክብል ዝገለጸ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሙኒክ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ደሕንነት ክኸውን ከሎ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኢትዮጵያ ማዕረ'ተን ሃገራት ጉዳይ ኣለዋ ኢሎም'ለዉ። \"ኢትዮጵያ ማዕረተን ሃገራት ኣብ መድረኽ ቀይሕ ባሕሪ ጉዳይ ኣለዋ። ኣብዚ ቀይሕ ባሕሪን ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘለዉ ጉዳያት ንኢትዮጵያን ሃገራት'ቲ ከባቢ ብማዕረ'ዩ ዝምልከት\"ኢሎም። ኣብ ከይዲ ኣፈታትሓ ጸገማት'ዉን ግደ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ሓያልን ኣድላይን'ዩ ዝብል መልእኽቲ ተመሓላሊፉ'ሎ ዝበሉ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝርኣዩ ዓበይቲ ጸገማት ዘይሕጋዊ ስደት ምዝውዋር ኣጽዋርን ሓደገኛ ዕጽን ይርከቦ ነዚ'ዉን ብሓባር ምቅላስ'ዩ ኢሎም። ኣብቲ ናይ ሙኒክ ናይ ደሕንነት ኣኼባ ጉዳይ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ'ውን ከምዝተላዕለ ተዛሪቦም'ለዉ። ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብዛዕባ'ቲ ኮንግረስ ኣሜሪካ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ይመኽረሉ ዘሎ HR 6600 ዝምልከት ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቀረበሎም ሕቶ'ውን እቲ HR 6600 ድሮ ዝተመለሱ ሕቶታት'ዩ ዘልዕል ክብሉ መሊሶም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5\/6457655.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ዘጋጠመ ሕጽረት መግቢ ንምቅላል ዘይልሙድ ቆጽለ መጽሊ ንመግቢ ይዳለው","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ብዘጋጠመ ሕጽረት መግቢ፡ ገለ ነበርቲ፡ ቅድሚ ሎሚ ዘይልሙድ ዓይነት ቆጽለ-መጽልን ጻህያይን ንመግቢ ክጥቀሙ ጀሚሮም ኣለዉ። ነቲ ዓይነታት ኣታኽልቲ ብኸመይ ንመግቢ ክዳሎ ከም ዘለዎ ካብ ዘሰልጥኑ ሓንቲ ወ\/ሮ ጸጋ ገብረኺዳን`ያ፡ ኣብቲ ስልጠና ዝውሃበሉ ቦታ ዝተዳለወ ጸብጻብ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%95%E1%8C%BD%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%85%E1%88%8B%E1%88%8D-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%88%99%E1%8B%B5-%E1%89%86%E1%8C%BD%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%88%8A-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8B%AD%E1%8B%B3%E1%88%88%E1%8B%8D\/6455872.html"} {"headline":"ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብሓይልታት ትግራይ ወሪዱ ንዝተባህለ ግፍዒ ኰኒኑ","content":"ዓለምለኸ ትካል ተሓላቒ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ወርሓት ነሓሰን መስከረምን ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ተፈጺሙ ብዛዕባ ዝተባህለ ሰፊሕ ጥሕሰት መግለጺ ድሕሪ ምውጻኡ፡ ወሃብ-ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነቲ ተግባር ኣትሪሩ ኰኒኑዎ ኣሎ። ኣብቲ ትማሊ ዝወጸ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ ነቲ ብሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተፈጺሙ ዝተባህለ ጾታዊ ዓመጽ፡ ቅትለትን ካልእ ግፍዒን ድሕሪ ምዅናን፡ ኩሎም ወገናት ንሰላማዊ ዒላማ ካብ ምጥቃዕ ክቝጠቡ ጸዊዑ። እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ዘይሻራዊ ምጽራይ ድሕሪ ምግባር፡ ንፈጸምቲ በደል ዝግበኦም መቕጻዕቲ ክቕበሉ ኣመልኪቱ። መግለጺ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ምስ ኵላቶም ወገናት ንነባሪ ፍታሕ ከም ዝሰርሕ ድሕሪ ምምልካት፡ ሕጂ’ውን ንሰብኣዊ ተበጻሕነት ኵላቶም ወገናት ከፍቅዱን ተጻብኦታት ከቋርጹን ጸዊዑ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%89%A5%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%88%E1%88%AA%E1%8B%B1-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%88-%E1%8C%8D%E1%8D%8D%E1%8B%92-%E1%8A%B0%E1%8A%92%E1%8A%91\/6455502.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ምዕራብ ባሌ ኣብ ዕደና ብዘጋጠመ ሓደጋ 7 ሰባት ሞይቶም","content":"ጎሎልቻ ኣብ ዝተባሃለ ቦታ ዞባ ምብራቅ ባሌ፣ ኣብ ባህላዊ ዕደና ተዋፊሮም ዝነበሩ ሸውዓተ ሰባት ብዘጋጠመ ሓደጋ ከምዝሞቱ ሓለፍቲ’ቲ ወረዳ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም። ፈቃድ ዘይብሎም ኣብ ዕደና ዝዋፈሩ ሰባት ከምዘለው ዝገልጹ እቶም ሰበ ስልጣን፣ እቶም ግዳያት ዝሞቱ፣ ይኹዕትሉ ዝነበረ ስፍራ ኣብ ልዕሊኦም ስለዝተደፈነ’ዩ ይብሉ። ሓደጋ ዝወረዶም ኩሎም መናእሰያት ከምዝኾኑ ዝጠቀሰ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ ብሞት’ቶም ሰባት ሓዘን ከምዝተሰመዖ ሓዘን ገሊጹ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%89%A3%E1%88%8C-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%95%E1%8B%B0%E1%8A%93-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B-%E1%88%B8%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/6455772.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ዶ\/ር ሃብቶም ሃይለስላሴ","content":"ኣብ ጨንፈር ምርምር ትካል ጆንሶንን ጆንሶንን ዝሰርሕ ዶ\/ር ሃብቶም ሃይለስላሴ ሃብተ ተሓባባሪ ዳይረክተር ሓንቲ ጨንፈር መጽናዕቲ እቲ ትካል ኣብ ናይ ሎሚ መደብ ኤርትራውያን ኣብ ኣመሪካ ኣዘራሪብናዮ ኣለና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%88%83%E1%89%A5%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%88%83%E1%8B%AD%E1%88%88%E1%88%B5%E1%88%8B%E1%88%B4\/6454358.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ጉዳያት መብርሂ ሂቦም","content":"ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ሰሉስ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ካብ ብኣባላት ባይቶ ንዝቐረበሎም ሕቶ መልሲ ኣብ ዝሃብሉ መንግስቲ ምስ ህወሓት ክላዘብ ከምዝኽእል ብምሕባር፡ክሳብ ሕጂ ይላዘቡ ኣለዉ ዝብል ወረ ግን ሓሶት ምዃኑ ኣፍሊጡ። ቀ\/ሚ ኣብይ ወሲኹ \"ክሳብ ሕጂ ክሳብ`ዛ ደቒቕ`ዚኣ ዝተገብረ ልዝብ የለን\" ኢሉ። ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ዶ\/ር ደብረጽየን ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ምስ ቢቢሲ ብስልኪ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ ምስ ፈደራል መንግስቲ ብዝተፈላለየ መልክዑ ልዝብ ይግበር ምህላዉ ምግላጹ ይዝከር። ኣብ ክልላት ትግራይ ኣምሓራን ሶማሌን በጺሓ ዝተመልሰት ምኽትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣሚና መሓመድ፡ ተሳተፍቲ`ቲ ኩናት ኢትዮጵያዊ ፍታሕ ንምምጻእ ድልየት ከምዘለዎምን፡ ንሰላም ዝሓሸ ዕድል ከምዘሎን ጠቒሳ ኔራ`ያ። ይኹን`ምበር ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ብዛዕባ ልዝብ ብዙሕ ከምዝውረ ምስምዑ ብምግላጽ ነገር ግን ክሳብ ሕጂ ዝተገብረ ልዝብ ከምዘየለ ኣረጋጊጹ። ኣስዒቡ \"እዚ ማለት ግን ዝኾነ ልዝብ ዝብሃል ነገር ኣይነካይድን ኢና ማለት ኣይኮነን\" ኢሉ። ልዝብ ማለት ዕርቂ ማለት ከምዘይኮነ ዝገለጸ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ፡ መንግስቱ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ፍጹም ከምዘይደራደር ቅድሚ ሎሚ ዝሓዞ መርገጺ ምዃኑ ብምሕባር ሕጂ`ውን ዝግበር ልዝብ ካብዚ መትከል`ዚ ወጻኢ ከምዘይከውን ኣብሪሁ`ሎ። ቀ\/ሚ ቀጺሉ \"ኣብ ልዝብ ናይ ሰላም አማራጺ እንተልዩ: ህወሓት ልቢ ገዚኡ ኲናት ከምዘየዋጽእ ብኲናት ክዕወት ከምዘይክእልን ከምዝሰዓርን እንተኣስተውዒሉ ንሕና ብሓጎስ ኢና ንርእዮ\" ብምባል መንግስቲ ንልዝብ ድልው ምዃኑ ኣመልኪቱ። ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፡ ክሳብ ሕጂ ብኣሸባርነት ምስ ዝተመደበ ውድብ ልዝብ ንምክያድ ኢና ዝተባህለ ነገር የለን ኢሉ ኔሩ`ዩ። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ ናይ ሎሚ ናይ ፓርላማ ውዕሎ፡ ብዛዕባ`ቲ ህወሓት ብሸነኽ ዓፋር ከፊትዎ ዝብሃል ውግእ ክገልጽ ከሎ ዕላማ ህወሓት መግቢ ረድኤት ናብ ትግራይ ንኸይኣቱ ምግባር`ዩ ኢሉ። ህወሓት ብወገኑ፡ ብፍሉይ ሓይሊ ዓፋርን ብኤርትራ ዝድገፉ ዕጡቓት ዓፋርን ንዝመጾ ስግኣት ንምክልኻል ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝወሰደ ይገልጽ። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ድማ፡ ህወሓት ነቲ ኩናት ዝኸፈቶ፡ ረድኤት መግብን ካልእን ንብረትን ዝጸዓና መካይን ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ካብ ሰመራ ተበጊሰን ናብ መቐለ ጉዕዞ ምስ ጀመራ ምዃኑ ብኣብነት ይጠቅስ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%88%8D%E1%8B%9D%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8B%AB%E1%8B%B5-%E1%8B%B5%E1%88%8D%E1%8B%8D-%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%91-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A2%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6454030.html"} {"headline":"ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ንመግለጺ ሚንስተር ዜና ኤርትራ ይቃወም","content":"ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ “ገለ ሓያላን ሃገራት ንመሬታዊ ሓድነትን ውሽጣዊ ጉዳያትን ብምጥሓስ” ኣንጻር ዓለማዊ መትከላት ዝኸይድ ምጕዕጻጽ የካይዳ’የን ክብል ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ኣሉታዊ ምላሽ ሂቡ'ሉ። ሚኒስተር የማነ ኣብ መልእኽቱ፡ ኣንጻር ኤርትራ ዝተላዕለ እገዳ’ውን ካብ ተመሳሳሊ፡ ንውሽጣዊ ጉዳያት ሓንቲ ሃገር ዝጥሕስ’ዩ ክብል ገሊጹ። ብወገን ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ወግዓዊ ፈይስቡክ ገጽ ኣብ ዘውጽኦ ምላሽ ግን፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ብኸምቲ ሚኒስተር የማነ ዝገለጾ ዘይኰነስ፡ ሰራዊት ኤርትራ ብሓያሎ ዓለምለኸ ትካላት ዝተረጋገጸ ጥሕሰት፡ መግሃስታት፡ ጾታዊ ዓመጽን ካልኦት ግፍዕታትን ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያን ብምፍጻሙ ምዃኑ ኣመልኪቱ። እቲ ምላሽ ወሲኹ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብህጹጽን ንቐጻሊን ክወጹ ድሕሪ ምጽዋዕ፡ ህላወ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ንሰለማዊ ዘተን ሰብኣዊ ተበጻሕነትን ይዕንቅፍ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ። ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ብወገን ሰበ-ስልጣናት ኤርትራ ንዝወሃብ መግለጺ ኣብ ማሕበራዊ ገጻቱ ምላሽ ክህበሉ ጸኒሑ’ዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8B%9C%E1%8A%93-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%AD%E1%89%83%E1%8B%88%E1%88%9D\/6453840.html"} {"headline":"ኣብ ምሕሳም መግቢ ዝነበሩ አባላት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ነቲ ኣድማ ምቁራጾም ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ምሕሳም መግቢ ዝነበሩ ኣባላት ኣመራርሓ ብኣቶ ዳውድ ኢብሳ ዝምራሕ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ነቲ ጀሚሮሞ ዝነበሩ ምሕሳም መግቢ ከምዘቋረጽዎ ተነጊሩ። እቶም ሽዱሽተ እሱራት ነቲ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ዘቋረጽዎ፡ ንከቢድ ጸገም ጥዕና ስለዝተቓልዑ ምዃኖም፡ ነቲ ኣድማ ከቋርጽዎ ክምሕጸኑ ካብ መንጎ ዝጸንሑ ሽማግለታት፡ ፕረዚደንት ማሕበር መጫና ቱሉማ ዝኾኑ ድርቢ ደምሴ ገሊጾም። እቶም እሱራት ብገበን ሽበራ ዝተኣስሩ ኮይኖም ዝተወሰኑ ብናጻ ክልቀቑ ተወሲንሎም ከሎ`ውን ከምዘይተፍትሑ ይገልጹ። ብዛዕባኡ ካብ ሰበ-ስልጣን ኦሮሚያ ኮነ ካብ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ምላሽ ንምርካብ ዝተካየደ ፈተነ ኣይተዓወተን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%88%B3%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A9-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8C%8D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%8A%93%E1%8C%BD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9E-%E1%8A%90%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%B5%E1%88%9B-%E1%88%9D%E1%89%81%E1%88%AB%E1%8C%BE%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6454048.html"} {"headline":"ቻይና ፍሉይ ልኡኽ ንቀርኒ ኣፍሪቃ መዚዛ","content":"ቻይና ፍሉይ ልኡኽ ንቀርኒ ኣፍሪቃ መዚዛ። እቲ ፍሉይ ልኡኽ ንኢትዮጵያ: ኤርትራን ሶማልን ዝምደብ ዘሎ እቲ ዞባ ኣብ ተአፋፊ ኩነታት ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን`ዩ። ኣምባሳደር ጁ-ቢንግ ኣብ ኣፍሪቃ ተመክሮ ዝጸንሖ ምዃኑ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ኣፍሊጡ`ሎ። ብመሰረት መግለጺ'ቲ ሚንስትሪ ስራሕ'ቲ ልኡኽ ቻይና እተሰጉሞ ሰላማዊ ልምዓት ምቕጻል ምዃኑ ብምጥቓስ፡እተን ሃገራት ነባሪ ህድኣትን ምዕባለን ብልጽግናን ክህልወን ምሕጋዘን ምዃኑ ሓቢሩ`ሎ። ቻይና ኣብ ጅቡቲ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኣለዋ፡ ንኢትዮጵያ ድማ ግዙፍ ለቓሕ ሂባታ`ላ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%BB%E1%8B%AD%E1%8A%93-%E1%8D%8D%E1%88%89%E1%8B%AD-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%95%E1%89%80%E1%88%AD%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%88%98%E1%8B%9A%E1%8B%9B\/6454110.html"} {"headline":"ዕጡቓት ትግራይ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣፈናቒሎም ኢሉ ናይ ኢትዮጵያ ጉዳይ ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስትን","content":"ዕጡቓት ትግራይ ኣብ ከባቢ ክልል ዓፋር ብዝወሰዱዎ ወታደራዊ ስጉምቲ በራሕለ ኣብ ዝርከብ መዕቖቢ ስደተኛታት ዝነበሩ ልዕሊ 30,000 ስደተኛታት ናብ ሰመራን ካልኦት ከባቢታትን ከምዝተመዛበሉ ናይ ኢትዮጵያ ጉዳይ ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስትን ኣፍሊጡ።\\n\\nዋና ዳይረክተር ጉዳይ ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስትን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ UNHCR ዝርከቡዎ ሓደ ጉጅለ ኣብ ክልል ዓፋር ንዝርከቡ ስደተኛታት ሎሚ ሪኦምዎም ኣለው።\\n\\nእቶም ስደተኛታት ንዓፋርን ጁብቲን ኣብ እተራኽብ ከተማ ሰርዶ ንምስፋር ምንቅስቓስ ምጅማሩ እውን ተፈሊጡ ኣሎ።\\n\\nናይ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ወኪል ስደተኛታት UNHCR 11 ለካቲት 2014 ዓ\\ም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ክልል ዓፋር በራሕለ ኣብ ዝርከብ መዕቖቢ ስደተኛታት ብዝወረደ መጥቓዕቲ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝተቐተሉን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ስደተኛታት ድማ ካብቲ ከባቢ ከምዝሃደሙን ሪፖርት ከምዝበፅሖ ኣፍሊጡ ኣሎ።\\n\\nኣብ UNHCR ወሃቢ ቃል ቢሮ ቀርኒ ኣፍሪካ ፌዝ ካሲናን ካብ ታሕሳስ ጀሚሩ ኣብ ክልል ዓፋር ኵናት ከምዝቐፀለ ብምግላፅ ኣብ መጀመሪያ ለካቲት ድማ በራሕሌ ኣብ ዝርከብ ናይ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ካምፕ መጥቓዕቲ ከምዝተፈፀመ ገሊፆም።\\n\\nዋና ዳይረክተር ጉዳይ ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስትን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ UNHCR ዝርከቡዎ ሓደ ጉጅለ ኣብ ክልል ዓፋር ንዝርከቡ ስደተኛታት ሎሚ ሪኦምዎም ኣለው።\\n\\nዳይረክተር ኮሚኒኬሽንን ርክብ ህዝብን ናይቲ ኤጀንሲ ኣቶ ብኣካል ንጉሴ ኣብ ክልል ዓፋር ብትካሎም ዝመሓደሩ ክልተ መዕቖቢ ስደተኛታት ከምዝርከቡ ገሊፆም።ኣብ ክልተ መዕቖቢ ስደተኛታት ኣስሓይታን በራሕለን ብቀንድነት ኤርትራዊያን ዓፋር ዝኾኑ ልዕሊ 60,000ስ ስደተኛታት ከምዝርከቡ ኣቶ ብኣካል ገሊፆም።\\n\\nእዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ክልል ዓፋር ዝርከቡ ተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ልዕሊ ናይቲ ክልል ህዝቢ ኣንፀላሊዩ ዘሎ ናይ ሃለዋት ሓደጋ ንምቕልባስ ብሓባር ንምስራሕ ተሰማሚዖም ይብል ፀብፃብ መስፍን ኣራጌ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6452538.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ሓጽቢ ሕዳሴ ኤለክትሪክ ከተመንጩ ጀሚራ","content":"ንምጅማር ምምንጫው ኤለክትሪክ ሓጽቢ ዓቢይ ህዳሰ ብወግዒ መሪቖም ዝኸፈቱ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ሃገሮም ናብ ከም ሱዳንን ግብጺን ዝበላ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ብእኡ ኣቢላ ድማ ንኤውሮጳ ጽሩይ ሓይሊ ኤለክትሪክ ብምዕዳል ዓለም-ለኻዊ ምትሕብባር ኣብ ምሕያል ክትሰርሕ`ያ ኢሎም።\\n\\nግብጺ ብወገና፡ ኢትዮጵያ ንውዕል ካርቱም ጥሒሳ ክትበል ከሲሳ`ላ፡\\nቀዳማይ ሚስንተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ዞባዊ ምትሕብባር ኣተኩሩ ኣብ ዝተዛረበሉ እዋን፡ ኢትዮጵያ ንፈለግ ናይል ነቲ ተርባይን ዝበሃል ክፍሊ ሞተራት ንምህራም እምበር ንኻልእ ኣይክትጥቀመሉን`ያ፡ ማይ ናይል ናብተን ብታሕቲ ዘለዋ ሃገራት ብዘይ ጉድኣት ምፍሳሱ ክቕጽል`ዩ ኢሉ።\\n\\nቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ ንህዝቢ ኣብዘመሓላለፎ መልእኽቲ ድማ ከምዚ ኢሉ፡\\n\\n\"ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓፈሽኡ ስለዝኣመነና፡ ገንዘቡ ስለዘዋጽአ፡ ኣድላይ ኣብ ዝኾነሉ መድራኻት ኩሎም ነዚ ፕሮጀክት ድምጺ ስለዝኾነ፡ እዚ ፕሮጅክት`ዚ ድማ ናይ ሓድነትና፡ ናይ ግስጋሰና ናይ ዕብየትናን ናይ ዘይተንበርካኽነት ምልክት ስለዝኾነ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንዝገበሮ ኩሉ ሓቆፋዊ ተጋድሎ ልዑል ምስጋና ከቕርብ ይፈቐደለይ \" ኢሉ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምጅማር ምምንጫው ሓይሊ ኤለክትሪክ ተረኺቡ ዘስምዖ መደረ።\\n\\nእቲ ካብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ 155 መትሮ ቁመትን ድምር ዙርያ 74 ኪ.ሜ ዝዓቐኑን ሓጽቢ፡ ትማሊ ሰንበት ብሓንቲ ተርባይን 375 ሜጋዋት ሓይሊ ከምንጩ ጀሚሩ`ሎ፡ ከም ሓበረታ ዋና ሓላፊ`ቲ ሓጽቢ ኢንጅነር ኪፍለ ሆሮ ኣብቲ ቦታ ኮይኑ ንሪፖርተራት ከምዝተዛረቦ።\\n\\nእንጅነር ክፍለ እቲ ሕጂ ዝምንጩ ሓይሊ ምስቲ ኣብ ሃገር ዘሎ ግሪድ ከምዝራኸብን፡ ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ ድማ 750 መጋዋት ዘመንጩ ካልኣይ ተርባይ ስርሑ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ`ሎ። ትማሊ ጀሚሩ ዘሎ ካብ 13 ተርባይናት እቲ ሓደ ጥራሕ`ዩ።ቭእቲ ካብ 2011 ጀሚሩ ብ5ተ ቢልየን ዶላር ባጀት ዝስራሕ ዘሎ ሓጽቢ ዓቢይ ህዳሰ፡ ምስ ተወድአ ብድምር 6, 500 መጋዋት ኤለክትሪክሲቲ ከመንጩ ትጽቢት ይግበር።\\n\\nግብጺ እቲ ህንጸት ሓጽቢ ህዳሰ፡ ዋሕዲ ማይን ካልእ ጸገማትን ከስዕበለይ`ዩ ብዝብል ሻቕሎት ክትቃወሞ ጸኒሓ`ላ።\\n\\nሱዳን ብወገና ሽሕ`ኳ ኣብቲ መጀመርያ ካብ ደምሳሲ ውሕጅ ይከላኸለለይ`ዩ ብዝብል ነቲ ንህንጸት ሓጽቢ ህዳሰ ትድግፍ እንተነበረት፡ ድሓር ግን እቲ ጉዳይ ንዞባዊ ጸጥታን ሰላምን ስግኣት`ዩ ብዝብል ባይቶ ጸጥታ ክርእዮ ሓቲታ`ያ። ባይቶ ጸጥታ ድማ ነቲ ጉዳይ ርእዩ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዘመርሖ ይዝከር- እዚ ድማ ኢትዮጵያ ክትድግፎ ዝጸንሐት መትከል`ያ።\\n\\nነቲ ምስሕሓብ ንምሽምጋል ዝኣተወ ዝሓለፈ ምምሕዳር ትራምፕ`ውን ንኢትዮጵያ ንምቕጻዕ ብUSAID ንክውሃብ ኣብ መደብ ዝነበረ ናይ 120 ሚልየን ዶላር ሓገዝ ክድስክል ጌሩ`ዩ።\\n\\nመራሕቲ ግብጻውያን ኣብቲ እዋን ኣብ ማይ ኒል ዘለና መሰል ታሪኻዊ ውዕል ንምኽባር ኩሉ ኣማራጽታት ክንጥቀም ንኽእል ኢና ኢሎም ኔሮም`ዮም።\\n\\nኢትዮጵያ ግን ኣካል`ቲ ውዕል ኣይነበርኩን ብዝብል ከም ኣህጉራዊ ውዕላት ኣይፈልጦምን`የ ክትብል ጸኒሓ`ላ።\\n\\nኢትዮጵያ ትማሊ ሰንበት ብሓደ ተርባይን ሓይሊ ኤለክትሪክ ከምንጩ ጀሚረ ኢላ ድሕሪ ምስማዓ፡ ሚንስትሪ ወጻኢ ግብጺ ምላሽ ሂቡ`ሎ፡ ኢትዮጵያ ዳግም ንውዕል ካርቱም ጥሒሳ ዝብል ክሲ፡ እንተኾነ ዝርዝር መብርሂ ኣይሃበን ብመሰረት ኣሶሸይትድ ፕረስ። ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ፡ ብወገኑ ግብጽን ሱዳንን ካብቲ ሓጽቢ ክጥቀማ`የን ምባሉ እቲ ትካል ዜና ጠቒሱ`ሎ።\\n\\nብኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ዝነበረ ፍለክስ ትሸሰከዲ ዝተመርሐ ጻዕሪ ናብ ስምምዕ ከብጽሕ`ኳ እንተዘይክኣለ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ዝመሓላለፎ ጻውዒት፡ ኩሎም ወገናት ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ልዝቦም ክቕጽሉ ኣተሓሳሲቡ ኔሩ`ዩ።\\n\\nቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ ስነ-ስርዓት ምጅማር ምምንጫው ሓይሊ ኤለክትሪክ ዝገበሮ መደረ፡ ነቲ ሓሳብ ህንጸት ግድብ ብምምጻእ ንንጉስ ሃይለስላሰ፡ ነቲ ሓሳብ ናብ ተግባር ናይ ብምቕያር ነቲ ስራሕ ብምጅማር፡ ንኣቶ መለስ ዜናዊ፡ ከምኡ`ውን ነቲ ህንጸት ብምቕጻል ንኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣመስጊንዎም`ዩ።\\n\\nግዙፍ ሓጽቢ ህዳሴ፡ ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል በነሻንጉል ጉሙዝ፡ ኣብ ትሕቲ ጎቦታት ወረዳ ጉባ ይርከብ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6452473.html"} {"headline":"ፍሉይ ሙዝቃ ንምስማዕ ተዳለዉ ይብል ኣሎ ስነ-ጥበባዊ ተዳሎ ዮሃንስ","content":"ምስ ምትራፍ ካሴታትን ሲዲን ኣልቡም ምውጻእ፡ ብሕልፊ እኳ ኣብ ኤርትራ፡ ኣዝዩ ከቢድ ኰይኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ተዳሎ ዮሃንስ ግን 15 ደርፍታት ዝሓዘት “ተዳሎ” ዝኣርእስታ ኣልቡም ኣብ ቀረባ እዋን ዘርጊሑ ኣሎ። ኣብ ሞያ ላቦራቶሪ ሕክምና ዝሰርሕ ተዳሎ፡ ወዱ ንህቡብ ተዋሳኢ ዮሃንስ መሓሪ (ባባ ጆን) ኰይኑ፡ ካብ ኣርእስታ ጀሚርካ ኣብዛ ኣልቡም ኣርእዩዎ ዘሎ ፍሉይነት ኣደራርፋ፡ ኣሰራርዓ ግጥሚን ኣዘያይማን ኣቓልቦ ዝሓትት’ዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%8D%E1%88%89%E1%8B%AD-%E1%88%99%E1%8B%9D%E1%89%83-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%9B%E1%8B%95-%E1%89%B0%E1%8B%B3%E1%88%88%E1%8B%89-%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%8C%A5%E1%89%A0%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%89%B0%E1%8B%B3%E1%88%8E-%E1%8B%AE%E1%88%83%E1%8A%95%E1%88%B5\/6449529.html"} {"headline":"ኤሪ-ይኣክል፡4.2 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን","content":"ኣብ ኣመሪካ ዝተመዝገበ፡ ኤሪ-ይኣክል ዝተባህለ ዘይመኽሰባዊ ትካል ንኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራ ዝውዕል 4.2 ሚልዮን ዶላር ዓይነታዊ ሓገዝ ረኺቡ ኣሎ። ብዛዕባ’ዚ ተረኺቡ ዘሎ ሓገዝን ትግባረኡን ዝምልከት ንኣባል ቦርድ እቲ ትካል ኣቶ ከሰተ በራኺ ኣዘራሪብናዮ ኣለና። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AA-%E1%8B%AD%E1%8A%A3%E1%8A%AD%E1%88%8D-4-2-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8B%B6%E1%88%8B%E1%88%AD-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%95%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95\/6449461.html"} {"headline":"ኣብ ዞባ ሳሕል ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ሓደጋ ጥምየት የንጸላልዎም ከምዘሎ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሓቢሩ","content":"ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዞባ ሳሕል ኣፍሪቃ ብሰንኪ ናህሪ ዋጋ:ምንቅስቓስ ግብረሽበራዊያን:ቫይረስኮሮናን ዝኣመሰሉን ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ፀገም ውሕስነት መግቢ ከምዘጋጠሞ ኣፍሊጡ። ወኪል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ቡርኪና ኣንቶይን ሬናርድ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ሓደጋ ጥምየት ከጋጥሞ ከምዝኽእልም ብምግላጽ እቲ ኩነታት ዘተሓሳስብ እዩ ኢሎም። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ምዕራብን ማእኸላይን ኣፍሪቃ 28 ሚሊዮን ሰባት ውሕስነት መግቢ ከምዘይብሎም ሓቢሩ'ሎ። ኣብ ዞባ ሳሕል ብሰንኪ ግጭት ልዕሊ 2.5 ሚሊዮን ሰባት ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ይርከቡ። እቲ ትካል ወሲኹ ሓገዝ ገንዘብ እንተድኣ ዘይረኺቡ ነቶም ብግጭት ዝተመዛበሉ ዝህቦ ዝነበረ ሓገዝ ንምቕናስ ከምዝግደድ'ውን ኣፍሊጡ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%88%B3%E1%88%95%E1%88%8D-%E1%89%A5%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%91%E1%8C%B8%E1%88%A9-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B-%E1%8C%A5%E1%88%9D%E1%8B%A8%E1%89%B5-%E1%8B%A8%E1%8A%95%E1%8C%B8%E1%88%8B%E1%88%8D%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6448901.html"} {"headline":"ኮሚሸን ሰ\/መሰላት ኢትዮጵያ ንሰንኪ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዝተኣሰሩ ሰባት ክፍትሑ ጸዊዑ","content":"ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ 23 ጥቅምቲ ጀሚሩ ግብራዊ ዝኾነ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ክልዓል ዝሓለፈ ሰሉስ ምውሳኑ ስዒቡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዝወዓሉ ሰባት ክፍትሑ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ጸዊዑ። ኣብ ሚንስትሪ ፍትሒ ኢትዮጵያ ሓላፊ ፕረስ ኣቶ ኣዎል ስልጣን ኣብ እዋን እቲ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዝተኣሰሩ ሰባት ጉዳዮም ብስሩዕ ስርዓተ ፍትሒ መዓልቦ ከምዝረክብ ሓቢሮም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%B8%E1%8A%95-%E1%88%B0-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%8C%85-%E1%88%85%E1%8C%B9%E1%8C%BD-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%A3%E1%88%B0%E1%88%A9-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%91-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%91\/6448385.html"} {"headline":"ግብረመልሲ ክልል ትግራይ ንሪፖርት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል","content":"ዓለምለኸ ትካል ተሓላቒ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ብ16 ለካቲት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሓይልታት ትግራይ ንኽልል ኣምሓራ ተቖጻጺሮምሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን፡ ሰፋሕቲ ጾታዊ ዓመጽን ቅትለትን ከም ዝፈጸሙ ኣብ ሪፖርቱ ኣስፊሩ ነይሩ። ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ዝምድናታት ኽልል ትግራይ ነቲ ክሲ መልሲ ሂቡ'ሎ። እቲ ቤት ጽሕፈት ትማሊ ኣብ ዝዘርግሖ በዓል ኣርባዕተ ገጻት ጽሑፍ፡ ነቲ ዝቐረብ ክስታት ኣመልኪቱ ዝርዝራዊ መልሲ ሂቡ'ሎ። \"ምምሕዳር ትግራይ ኮነ ኢልካ ንሲቪላዊ ዒላማታት ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ\" ኣትሪሩ ከም ዝቃወም ዘመልከተ እቲ መግለጺ፡ ሰራዊቱ ከምኡ ዝመስል ተግባራት ፈጺሙ እንተዀይኑ፡ ዝግባእ ምርመራ ገይሩ ዝግባእ ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ። “ተሓታቲ ናይቲ ኩሉ ጥፋኣት” ግን ይብል እቲ መግለጺ ወሲኹ “ምምሕዳር ኣቢይን ሊሃቃን ኣምሓራን’ዮም” ከምኡ ዘብል ምኽንያት ድማ ብዕሙት ፕሮፓጋንዳን ጽልኢን ገና ዝዀነ ምድላው ዘይገበረ ሰለማዊ ህዝቢ ናብ ኲናት ሓድሕድ ምእታዎም ይኸስስ። ቀጺሉ እቲ መግለጺ ትካል ኣምንስቲ ግቡእ ግንዛበ ከይሓዘን ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት ከየንበበን ኣብ ቅልጡፍ መደምደምታ ከም ዝበጽሐ ብምእማን፡ ነቲ ዝተባህለ ክስታት ምስቲ ኣብ ባይታ ክዉን ዝበሎ ፍጻመታት እናነጻጸረ ከብርህ ፈቲኑ። ንሲቪላዊ ህዝቢ ዕላማ ገይሩ ንዝብል ክሲ፡ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ በቲ ዝነበረ ጻውዒት መሳርሒ ኲናት ዘይብሉ ህዝቢ’ውን ኣብቲ ኲናት ከም ዝኣተወን ከም ነብሰ-ምክልኻል ድማ ሰራዊት ክትኵስ ከም ዝተገደደ የብርህ። እቲ ብቤት ጽሕፈት ወጻኢ ዝምድናታት ክልል ትግራይ ዝወጸ መልሲ “መራሕቲ ሃይማኖት’ውን ከይተረፉ” ኣብቲ ኲናት ምእታዎም’ውን ይኸስስ ። ንዓለምለኸ ውዕላት ዝጠሓሱ ሓይልታት ሰራዊት ትግራይ ዘይኰኑስ፡ ሰራዊት ፈደራል፡ ሚሊሻ ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን’ዮም ዝበለ መግለጺ ድማ ናጻን ዘይሻራዊን ኣካል ከጻርዮ ጸዊዑ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%88%AA%E1%8D%96%E1%88%AD%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%8A%93%E1%88%BD%E1%8A%93%E1%88%8D\/6447783.html"} {"headline":"62 ሚእታዊት ካብ ነበርቲ ቤንሻንጉል ጉምዝ ተጸበይቲ ሓገዝ ምዃኖም ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ቤንሻንጉል-ጉሙዝ ብሰንኪ ግጭትን መጥቓዕትን ብተደጋጋሚ ዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ 62 ሚእታዊት ነበርቲ እቲ ክልል ተፀበይቲ ረድኤት ክኾኑ ከምዝተገደዱ እቲ ክልል ኣፍሊጡ። ኣብ መፅናዕቲ ዝተመስረተ ናይ መፃኢ ግዜ ትንበያ ጠቒሶም ዝተዛረቡ ናይቲ ክልል ኮሚሽነር ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣቶ ታረቀኝ ታሲሳ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብሰንኪ ፀገም ፀጥታ ካብ መነባብብርኦም ዝተመዛበሉን ብሰንኪ ናይ ተፈጥሮ ጸገማት ዝተመዛበሉን ሓገዝ ይግበረሎም ካብ ዘለውን 422 ሽሕ ሰባት ብተወሳኺ ካብ 650 ክሳብ 700 ሽሕ ነበርቲ እቲ ክልል ሓገዝ ዘድልዮም እዩም ኢሎም። ናይቲ ፀገም ምኽኒያት ክገልፁ ከለው ኣብቲ ክልል ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ዝፀንሐ ፀገም ፀጥታ ስዒቡ ዝተኣሳሰሩ ካልኦት ፀገማት እውን እዮም ኢሎም። ኣቶ ታረቀኝ ታሲሳ ሕጽረት መግቢ ቅድሚ ምግጣሙ ብመንግስቲ ይስርሑ ኣለው ዝበሉዎም ስርሓት እውን ኣብሪሆም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%A4%E1%8A%95%E1%88%BB%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%8D-%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%8B%9D-%E1%89%B0%E1%8C%B8%E1%89%A0%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%96%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6446194.html"} {"headline":"ርክብ ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ኣብ ክታበት፡ ክሊማዊ ለውጢን ጸጥታን የተኵር","content":"ኣብቲ ሎሚ የካቲት 17,2022 ኣብ ዝጅምር ዋዕላ መራሕቲ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ንምስታፍ፡ ልዕሊ ደርዘን ዝዀኑ መራሕቲ ኣፍሪቃ ናብ ብራስለስ ተጓዒዞም ኣለዉ። ኣስታት 70% ዝበጽሑ ነበርቲ ሃገራት ኤውሮጳ ብውሑዱ ሓንቲ መጠን ክታበት ክቕበሉ እንከለዉ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ግን እቲ ኣሃዝ 16% ጥራይ’ዩ። እዚ ጋግ እዚ እምበኣር ሓደ ካብቲ መዘራረቢ ኣጀንዳ መራሕቲ ክልተ ኣህጉራት ክኸውን’ዩ። ኣብ ኮሚሽን ኤውሮጳዊ ሕብረት ሓላፊት ምክትታል ጥዕናን ድሕነትን ዝዀነት ስቴላ ክይሪካደስ (Stella Kyriakides)፤“ክታበት ምሃብ ሓደ ነገር’ዩ፡ ህዝቢ ከም ዝኽተቡ ምርግጋጽ ከኣ ካልእ’ዩ። ማዕርነት ከኣ ኪንዮ ምሃብ ጥራይ ዝኸይድ’ዩ” ትብል። ብስእነት ኣማራጺታት ወፍሪን ሕጽረት ንጥረ-ነገራት ኣብ እትሳቐ ዘላ ኤውሮጳ፡ ወፍሪ ንኣፍሪቃ ከም ሓደ ኣማራጺ’ያ እትርእዮ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ’ውን እቲ ሕብረት፡ ኣብ ምኽፋት ዕድላት ስራሕ፡ ተተካኢ ጸዓትን ዲጂታላዊ ወፍሪን ዝኸውን ናይ 300 ሚልዮን ዶላር ወፍሪ ንኣፍሪቃ ክግበር ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ። ጉዳይ ስደተኛታት ካልእ ቀንዲ መዛራረቢ ዛዕባ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ርክብ’ዩ። ካብ መጽናዕታዊ ትካል ሆርን ኢንተርናሽናል ፎር ስትራቴጂክ ስታዲስ(Horn International Institute for Strategic Studies)ዝዀነ ሓሰን ካንንጀ ንጉዳይ ስደተኛታት ኣመልኪቱ “መራሕቲ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ሃገራት ኣፍሪቃን ብዛዕባ ጉዳይ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ሓደ መቓን ክመጹ ወሳኒ’ዩ። ክዛተዩሉ ዘድልዮም ጉዳይ ድማ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ዜጋታት ኣብ’ተን ብዙሓት ስደተኛታት ዘፍርያ ዘለዋ ሃገራት፡ ኣብ መሳገሪ ከምኡ’ውን ኣብ መጨረሽታ መዕረፊ ሃገራት’ዩ”ይብል። ኣብዚ ክልተኣዊ ርክብ፡ ጉዳይ ጸጥታ ኣፍሪቃ’ውን ካልእ መዘራረቢ ኣርእስቲ ኰይኑ ኣሎ። ኣብ መንጎኡ፡ እቲ ህይወት ኣሽሓት ዜጋታት ወሲዱ ዘሎ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ’ዩ። ካልእ ጸጥታዊ ጉዳያት ማሊ፡ ሞዛምቢክ፡ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ናይጀሪያን ሶማልን ከጠቓልል’ዩ። ኣብ ሃገራተን ብዝተራእየ ዕልዋ መንግስቲ፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ንማሊ፡ ጊኒ፡ ሱዳንን ቦርኪና-ፋሶን ካብ ኣባልነቱ ሰጒጉ’ዩ። እንተዀነ ካብቶም ንርክብ ናብ ኤውሮጳ ተጓዒዞም ዘለዉ መራሕቲ፡ ከም ናይ ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ፡ ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ዝሓዙ ምዃኖም ገለ ወገናት ይነቕፉ። ርክብ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ዝካየድ ዘሎ ጽልዋ ቻይና ኣብቲ ኣህጉር እናዓበየ ይመጸሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ። ቻይና ዳርጋ እተቐምጦ ቅድመ፡ኵነት ብዘይምህላዉ ድማ ብብዙሓት ወገናት ኣብቲ ውድድር ተመራጺት ይገብራ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%AD%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%8B%8D%E1%88%AE%E1%8C%B3%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%89%B3%E1%89%A0%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8A%E1%88%9B%E1%8B%8A-%E1%88%88%E1%8B%8D%E1%8C%A2%E1%8A%95-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3%E1%8A%95-%E1%8B%A8%E1%89%B0%E1%8A%B5%E1%88%AD\/6446163.html"} {"headline":"ካቢነ ክልል ሶማል ንዘጋጠመ ደርቂ ንምምካት ተወሳኺ 500 ሚልዮን ብር ባጀት ምጽዳቑ ኣፍሊጡ","content":"ካብኔ ክልል ሶማል ኣብቲ ክልል ንዘጋጠመ ደርቂ ንምክልኻል 500 ሚሊዮን ብር ተወሳኺ ባጀት ምፅዳቑ ኣፍሊጡ። እቲ ክልል በገዛእ ርእሱን ብፌደራል መንግስትን ነቲ ደርቂ ንምክልኻል ክሳብ ሎሚ ኣብ ጥቕሚ ዘውዓሎን ከውዕሎ ዘዳለዎን ክልተ ቢሊዮን ብር በፂሑ ከምዘሎ'ውን ተገሊጹ። ኣመሓዳሪ እቲ ክልል ኣቶ ሙስጠፋ መሓመድ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ ንናይቲ ክልል መንግስቲ ብምቅዋም መግለፂ ኣብ ምውፃእ ዝርከቡ ናይቲ ክልል ናይ ቀደም መራሕቲ ናይ ባዕሎም ተልእኾ ዘይብሎም ናይ ካልኦት ኣፈፀምቲ እዮም ኢሎምዎ ኣለው። እቲ ክልል ፀገማት ብልሽውናን ሰናይ ምሕደራን ከምዘለዎ ዘይሓብኡ ኣቶ ሙስጠፋ መሓመድ ኮይኑ ግን ቅድሚ ሕጂ ምስ ዝነበረ ክነፃፀር ዘይኽእልን እቲ ክልል ኣብ ህንፀት ትካላት ዝለዓለ ምምሕያሽ ኣብ ምርኣይ ከምዝርከብን ሓቢሮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A2%E1%8A%90-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8A%AB%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B3%E1%8A%BA-500-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%AD-%E1%89%A3%E1%8C%80%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8C%BD%E1%8B%B3%E1%89%91-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6446064.html"} {"headline":"ኮሚሽን ሰ\/መሰላት ኢትዮጵያ ብመሰረት ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዝተኣሰሩ ሰባት ክፍትሑ ጸዊዑ","content":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ብመሰረት ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዝተኣስሩ ሰባት ክፍትሑ ናብ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ጻውዒት ኣቕሪቡ። እቲ ኮሚሽን ኣተሓሒዙ ምልዓል`ቲ ኣዋጅ እዋን ሓደጋ ብኣወንታ ዝርኣይ`ዩ ኢሉ`ሎ። ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ተኣዊጁ ዝነበረ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኢትዮጵያ፡ እታ ሃገር ናብ ምርግጋእ ትኸይድ ኣላ ብዝብል ትማሊ ሰሉስ ከምዝተላዕለ ይዝከር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%8C%85-%E1%88%85%E1%8C%B9%E1%8C%BD-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%A3%E1%88%B0%E1%88%A9-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%91-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%91-\/6444220.html"} {"headline":"'ምስ ትግራይ ሓንቲ ሃገር`ምበር ክልተ ኣይኮናን'ሓላፊ ክፍሊ ሕጊ እስላማዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ","content":"ሓላፊ ክፍሊ ሕጊ እስላማዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ሸኽ መሓመድ ሲራጅ \"ምስ ትግራይ ሓንቲ ሃገር`ምበር ክልተ ኣይኮናን\" ኢሎም ። ንሶም ነዚ ዝበሉ እስላማዊ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ካብ`ቲ ዋና ላዕላዋይ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ተነጸልና ኢና ዝብል መግለጺ ድሕሪ ምውጽኡ`ዩ። ሓጂ ሲራጅ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፡ ንኹሎም ኣመንቲ እስልምና ብማዕረ ኢና ንርእዮም ንምንታይ ከምኡ ከምዝገበሩ ክርድኣና ኣይክኣለን፡ እቲ ዝገበርዎ`ውን ሕጋዊ ኣይመስለንን፡ ስለዚ ኣብ ቀጻሊ ክንፈትሖ ተስፋ እገብር ዝብል ምላሽ ሂቦም ኣለዉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%8A%95%E1%89%B2-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8A%AE%E1%8A%93%E1%8A%95-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8A-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%88%8A-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8A%A5%E1%88%B5%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8A-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-\/6444258.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ: ነዳዲ ካብታ ኣብ ገማግም የመን ንነዊሕ ዓመታት ዝተዓሸገት መርከብ ንምግዓዝ ኣብ ስምምዕ ምብጽሑ ሓቢሩ","content":"ሕቡራት ሃገራት ካብታ ኣብ ወሰን ባሕሪ የመን ንነዊሕ ዓመታት ተዓሺጋ ዝጸንሓት መርከብ፡ ነዳዲ ናብ ካልእ ከገዓዕዝ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐ ኣፍሊጡ። ብሰንኪ ምጉዳል ጽገና እታ መርከብ ግዙፍ ዓቐን ዘለዎ ነዳዲ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ፈሲሱ ብከላ ከይፈጥር ዓለምለኸ ሻቕሎት ፈጢሩ`ሎ። ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፍስ፡ እቲ ሓዲሽ ምዕባለ ትማሊ ሰሉስ ናብ ባይቶ ጸጥታ ከምዝተመርሐ ኣፍሊጡ`ሎ። እንተኾነ እቲ ስራሕ ምግዕዓዝ ነዳዲ መኣስ ከምዝጅመር ኣይሓበረን። እታ ኤፍ.ስ.ኦ ሴፈር (FSO Safer) ተባሂላ ትጽዋዕ ዓባይ መርከብ ካብ 1980`ታት ጀሚራ ኣብ ባሕሪ የመን ካብ ወደብ ግዝኣት ሖደይዳ ትሸዓተ ኪ.ሜ ርሒቓ ትርከብ ክትከውን ከላ፡ ኣብዚ ሰዓት`ዚ 1.1 ሚልየን በርሚል ነዳዲ ሒዛ ትርከብ ኮይና ካብ 2015 ንድሓር ዝኾነ ጽገና ኣይተገብረላን። ካብታ መርከብ ዝልሑኽ ነዳዲ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዓሳን ካልእ ሃብቲ ባሕሪን ኣብ ልዕሊ ምጉድኡ በቲ መስመር ንዝሓልፋ መራኽብ ንግዲ`ውን ከተዓናቕፍ ከምዝኽእል ሰበ-ስልጣን ከባቢያዊ ተፈጥሮ ሻቕሎቶም ክገልጹ ጸኒሖም`ዮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%90%E1%8B%B3%E1%8B%B2-%E1%8A%AB%E1%89%A5%E1%89%B3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%88%E1%88%9B%E1%8C%8D%E1%88%9D-%E1%8B%A8%E1%88%98%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8A%90%E1%8B%8A%E1%88%95-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%88%B8%E1%8C%88%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%8B%93%E1%8B%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%88%91-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6444280.html"} {"headline":"ኣምንስቲ: መጥቓዕቲ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምስ ገበን ኲናትን ጸረ-ሰብኣዊነት ዝዳረግ ክኸውን ይክእል'ዩ ክብል ኣብ ዘውጽኦ ሪፖርት ሓቢሩ","content":"ተዋጋእቲ ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ገበናት ኩናት ከምኡ`ውን ብጸረ-ስብኣውነት ክርኣይ ዝኽእል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ክብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸብጻብ ኣውጺኡ። ኣምነስቲ ኣብቲ ሎሚ ረቡዕ ዘውጽኦ ሪፖርቱ፡ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝሰርሑ ዕጡቓት ኣብ ሰሜናዊ ክልል ኣምሓራ ብዙሓት ሰለማውያን ሰባት ቀቲሎም ንብረት ዘሚቶም፡ 14 ዓመት ዝዕድሚኣን ደቂ ኣንስትዮ ከይተረፈ ብጉጅለ ዓሚጾም ኢሉ`ሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብወገን ሓይልታት ትግራይ ነቲ ክሲ ኣመልኪቱ ዝወጸ ወግዓዊ ምላሽ ደኣ ኣይሃሉ እምበር፡ ወሃብ-ቃል እቲ ውድብ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ ናይ ትዊተር ምልልስ መሊሶም ነይሮም። እቲ ብተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሰራዊቶም ብሰብኣውነትን ዲሲፕሊንን ክቃለስ ይግበኦም ንዝብል ርእይቶ፡ ኣይተ ጌታቸው ምስቲ ሓሳብ ከም ዝሰማምዑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ነቲ ዝቐረበሎም ክስታት ብዕቱብ ከም ዝርእዩዎ ድሕሪ ምምልካት፡ ንፈጸምቲ ድማ ዝግበኦም ፍርዲ ከም ዝህቡ ገሊጾም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%8A%95-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8B%B3%E1%88%A8%E1%8C%8D-%E1%8A%AD%E1%8A%B8%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%8A%AD%E1%8A%A5%E1%88%8D-%E1%8B%A9-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%98%E1%8B%8D%E1%8C%BD%E1%8A%A6-%E1%88%AA%E1%8D%96%E1%88%AD%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9-\/6444173.html"} {"headline":"ሕቡራት ሃገራትን ኣመሪካን ንምልዓል ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኢትዮጵያ ንኢዶም","content":"ፓርላማ ኢትዮጵያ ሎሚ ሰሉስ ኣብታ ሃገር ተአዊጁ ዝጸንሓ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ክልዓል ምውሳኑ ሕቡራት ሃገራትን ኣመሪካን ንኢደን። ክልቲኦም ነዚ ዝገለጹ ብወሃቢ ቃሎም ኣቢሎም ብዘውጽእዎ መግለጺ'ዩ። ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምልዓል እቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ድሕሪ ምምጓሱ፡ እቲ ተበግሶ ንመገዲ ሰላም ዝመርሕ’ዩ ክብል ጠቒሱዎ። እቲ ብስም ወሃብ-ቃል እቲ ሚንስትሪ ነድ ፕራይስ ኣቢሉ ዝወጸ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ወሲኹ፡ ምስቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ተተሓሒዞም ብዘይ ግቡእ ፍርዳዊ መስርሕ ዝተኣስሩ ዜጋታት ብህጹጽ ክፍትሑ ጸዊዑ። ምስ ምፍታሕ እሱራት ስዒቡ ድማ ሃገራዊ ልዝብ ክስዕብ ዘለዎ እምነት ጠቒሱ። መግለጺ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት፡ ኣመሪካ ምስ ኵላቶም ኣካላት ንነባሪ ፍታሕን ዘይተገደበ ሰብኣዊ ተበጻሕነትን ከም ዝሰርሕ ድሕሪ ምምልካት፡ ነቲ ግጭት ንምዕራፍ ንፈጸምቲ በደል ኣብ ዝግበኦም ፍርዲ ምሃብ ዘይሻራዊ ምጽራይ ክግበር ጸዊዑ። ብካልእ ወገን ወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ዲያሪክ ኣብቲ ሎሚ ሰሉስ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ብዛዕባ ምልዓል ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኢትዮጵያ መርገጺ ዋና ጸሓፊ'ቲ ትካልን ተሓቲቶም \"እቲ ትካል ነቲ ውሳነ ከምዘመጎሶ\" ገሊጾም ኣለው። በቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዝተኣሰሩ ሰባት: እቲ ግጭት ከብቕዕ :ተበጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዝን ተሓታትነትን ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ዝተዛረቡ ወሃቢ ቃል ሕ\/ሃ ምስቲ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዘውጽኦ መግለጺ ዝመሳሰል መልእኽቲ ኣሕሊፎም ኣለው። ፓርላማ ኢትዮጵያ ነቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣቐዲሙ ከልዕሎ ዝወሰነ ካብ ቤት ምክሪ'ታ ሃገር ብዝቐረበሉ ሕቶ መሰረት ሕቶ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ፓርላማ ድሕሪ ዘካየዶ ክትዕ ብዝተዋህበ ድምጺ'ዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6443689.html"} {"headline":"ዩኒሴፍ: ኣብ ሶማል ህጻናት ብሕጽረት ዝተመጣጠነ መግቢ ንዓጸቦ ምቕልዖም ይገልጽ","content":"ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ኣብ ሶማል ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ዝኾኑ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህፃናት ብሕፅረት ዝተመጣጠነ መግቢ ንዓፀቦ ይቓልዑ ኣለዉ ክብል ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ ። ብተመሳሳሊ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል መግብን ሕርሻን ደርቂ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፟ 1.5 እንስሳት ቀቲሉ መጠን ምህርቲ ዘራእቲ ብዝለዓለ መጠን ክቅ፟ንስ ገይሩ ኢሉ ። እቶም መግለፅታት ቅልጡፍ ህፁፅ ሓገዝ እንተዘይተረኺቡ ብዙሓት ክሞቱ ከምዝኸእሉ ይሕብሩ። ውሕስና ዝተመጣጠነ መግቢ ሶማል ኣብ ቀረባ ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ ገምጋም ካብቶም 1.4 ሚልዮን ህፃናት ናብ ከባቢ 329,500 ዝፅግዑ ማለት'ውን እቶም ርብዒ ዝኾኑ ኣብዚ ዓመት ንዝከፍአ ሕፅረት ዝተመጣጠነ መግቢ ክቃልዑ እዮም ይብል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%88%B4%E1%8D%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%88%85%E1%8C%BB%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%95%E1%8C%BD%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8C%A3%E1%8C%A0%E1%8A%90-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8A%95%E1%8B%93%E1%8C%B8%E1%89%A6-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%88%8D%E1%8B%96%E1%88%9D-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%BD\/6443675.html"} {"headline":"ፓርላማ ኢትዮጵያ ንምልዓል ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣጽዲቑ","content":"ፓርላማ ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ ሓይልታት ትግራይ ናብ ጥቃ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምቅራቦም ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ክጸንሕ ብምባል ዘሕለፎ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን፣ ንክላዓል ወሲኑ። ኣባላት ፓርላማ ሎሚ ነቲ ኣዋጅ ዘልዐለሉ ምኽንያት ኩነተ ጸጥታ ተማሓይሹ እዩ፣ እቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ንምስሊ’ታ ሃገር ብደረጃ ዓለም ደዊንዎ እዩ ካብ ዝብል ተበጊሶም ከምዝኾነ’ውን ተሓቢሩ ኣሎ። ገለ ኣባላት’ቲ ቤት ምኽሪ፣ ተቃውሞ ከምዘስምዑን፣ ሓይልታት ትግራይ ሎሚ’ውን ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ዓፋር ይዋግኡ ኣለው፣ ኣብ ልዕሊ ክልል ኣምሓራ መጥቃዕቲ ንምፍናው’ውን ይዳለው ኣለው ኢሎም ከምዝኸሰሱ ዝመጸና ዜና ጠቂሱ። ተወካሊ መንግስቲ ግና፣ ዝኾነ ስግኣት ብምኽባር ሕጊ ምቁጽጻር ይክኣል እዩ ክብል ምላሽ ሂቡ'ሎ። ፓርላማ ኢትዮጵያ ንኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዝወሰነ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር፣ ሓይልታት ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣስታት 200 ኪ.ሜ ርሕቀት ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን እዩ ነይሩ። ገዛኢ ፓርቲ ክልል ትግራይ ህወሓት ግና፣ ሰራዊት ዝተመለሰ፣ ንሰላም ዕድል ንምሃብ ካብ ዝብል ተበጊሱ እዩ ምባሉ ይዝከር እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብግዲኡ፣ ተደፊኦም እዮም ይብል። ተሓለቕቲ መሰላት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ኣዋጅ ተጠቂሙ፣ መብዛሕተኦም ተወላዶ ትግራይ ዝኾኑ ሰላማዊያን ሰባት፣ ብሕልፊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይኣስር ኣሎ ክብሉ ይኸሱ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምልዓል እቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ድሕሪ ምምጓሱ፡ እቲ ተበግሶ ንመገዲ ሰላም ዝመርሕ’ዩ ክብል ጠቒሱዎ። እቲ ብስም ወሃብ-ቃል እቲ ሚንስትሪ ነድ ፕራይስ ኣቢሉ ዝወጸ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ወሲኹ፡ ምስቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ተተሓሒዞም ብዘይ ግቡእ ፍርዳዊ መስርሕ ዝተኣስሩ ዜጋታት ብህጹጽ ክፍትሑ ጸዊዑ። ምስ ምፍታሕ እሱራት ስዒቡ ድማ ሃገራዊ ልዝብ ክስዕብ ዘለዎ እምነት ጠቒሱ። መግለጺ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት፡ ኣመሪካ ምስ ኵላቶም ኣካላት ንነባሪ ፍታሕን ዘይተገደበ ሰብኣዊ ተበጻሕነትን ከም ዝሰርሕ ድሕሪ ምምልካት፡ ነቲ ግጭት ንምዕራፍ ንፈጸምቲ በደል ኣብ ዝግበኦም ፍርዲ ምሃብ ዘይሻራዊ ምጽራይ ክግበር ጸዊዑ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%88%8B%E1%88%9B-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%8C%85-%E1%88%85%E1%8C%B9%E1%8C%BD-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8C%BD%E1%8B%B2%E1%89%91\/6442796.html"} {"headline":"መንግስቲ ክልል ሶማል ንኩነታት ደርቂ'ቲ ክልል ግቡእ ግብረ መልሲ ኣይሃበን ንዝብል ዝቐረበ ክሲ ይነጽግ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል ብመሪሕነት ይሰርሑ ዝነበሩ ኣባላት ፓርቲ ብልፅግና ክልል ሶማል ኢና ዝበሉ ሰባት ብሓባር ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ መንግስቲ ክልል ሶማል ደርቂን ዘስዓቦ ጉድኣትን ንምክልኻል ትፅቢት ከምዝተገብረሉ ኣይሰርሐን: ናይቲ ፓርቲ ውሽጣዊ ዴሞክራሲ ብዝጠሓሰ ኣገባብ ውሑዳት ሰባት መዘዝቲን ኣባረርትን ኮይኖም ክብሉ ከሲሶም።ነቲ ጉጅለ ወኪሎም ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ መግለፂ ዝሃቡ ሓላፊ ቢሮ ጉዳይ ኮምኒኬሽን ነበር ኣቶ ዓብዱላሂ ኣሕመድ እቲ ደርቂ ንምክልኻል እኹል ስራሕ ኣይተሰርሐን ኢሎም። ናይቲ ክልል መንግስቲ ግን ነቲ ደርቂ ንምክልኻል ብምሉእ ዓቕሙ ይሰርሕ ከምዘሎ ብምሕባር እቶም ቅሬታ ዘቕርቡ ዘለው ብዝተፈላለዩ ጉድለታት ስነ ምግባር ካብቲ ፓርቲ ዝተባረሩ እዮም ክብል ሓቢሩ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%8A%95%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8C%8D%E1%89%A1%E1%8A%A5-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%88%83%E1%89%A0%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%88%A8%E1%89%A0-%E1%8A%AD%E1%88%B2-%E1%8B%AD%E1%8A%90%E1%8C%BD%E1%8C%8D\/6441392.html"} {"headline":"ዲሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ህውሓት ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት መጥቓዕቲ ፈጺሙ ይብል","content":"\"ህወሓት ኣብ ክልል ዓፋር ከም ብሓዱሽ ዝኸፈቶ መጥቓዕቲ ንዓና ተሓታቲ ምግባሩ ተቐባልነት የብሉን’ክብል ዴሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ገሊፁ። እቲ ውድብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ገፁን ኣብ ብመርበብ ሓበሬትኡን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ 15 ሽሕ ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ ዝነብርሉ ማእኸል ስደተኛታት በራሕሌ ህወሓት ፈጺምዎ ኣብ ዝበሎ ናይ ከቢድ ብረትን ናይ ቦምብ መጥቓዕትን \"ብርክት ዝበሉ ሞይቶምንን ኣካሎም ሰንኪሎምን\" ኢሉ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ንክልል ትግራይ የመሓድር ናይ ዘሎ ኣካል ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ትግራይ ቅድሚ ሰሙን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ብመንግስቲ ኤርትራ ከምዝድገፍ ብዝገለፆ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ሓይሊ ዝመፀ ዝበሎ ስግኣት ንምክልኻል ተሪር ስጉምቲ ምውሳድ ከምዝጀመረ ገሊፁ ነይሩ። ብኻልእ ዜና ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝተወለዐ ውግእ፣ ዝያዳ ግዳያት ደቂ አንስትዮ ከምዝኾና ምክትል ዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃ ኣሚና መሓመድ ገሊጸን። ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ትግራይ፣ ዓፋርን ካልኦትን መገሻ ዝፈጸማ ኣሚና መሓመድ፣ ነዚ ዝገለጻ ብዓርቢ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝሃበኦ ጋዜጣዊ መግለጺ እዩ። ኣሚና መሓመድ አብ መግለጺኣን፣ ቀንዲ ትኹረት መገሸአን፣ ኢትዮጵያ ናብ ጎደና ሰላም ትምለሰሉ ኩነታት፣ ምሕያል ሰብኣዊ ቀረባት፣ ትግባረ ምቁራጽ ተጻብኦ፣ ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ዕጽዋ ምኽፋት፣ ልዕሊ ኩሉ፣ እቲ ይዝረበሉ ዘሎ ሃገራዊ ልዝብ ምዕዋት ዝብል ከምዝነበረ ጠቂሰን። ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወረደ ማህሰይቲ፣ እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ጉድኣት (ትራጀዲይ) ከምዝኾነ ዝገለጻ ኣሚና መሓመድ፣ ንስቃይ ደቂ ኣንስትዮ ክዝንተወለይ ከሎ ንምስማዕ ኣዝዩ ከቢዱኒ ነይሩ ክብላ’ውን ተዛሪበን። ንሰን \"ኣብ መንጎ ኢትዮጵያዊያን ምትእምማን ጠፊኡ አሎ። እቲ ልብኻ ዝሰብር ኩነታት ግና ማሕበራዊ መሰረት’ታ ሃገር ተበታቲኹ ምርኣይን፣ ብግጭትን ደርቂን ተሓላሊኹን ምርኣየይ እዩ\" ኢለን። ናብ ትግራይ ረድኤት ይኣቱ ኣሎ ግን ኣኻሊ ኣይኮነ ዝበላ ኣሚና መሓመድ፣ ጠንቁ ግን መንግስቲ ዘካይዶ ውግእ ኣይኮነን፣ ኣብ ሞንጎ ክልላት ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ውግእ እዩ ዝብል ሓበሬታ ከምዝበጽሓን፣ ንሰን ድማ ንሕና ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ንብሎ ዘለና ድማ፣ ብመካይን ዘይካኣል እንተኾይኑ፣ ብኣየርን ካልኦት ኣገባብን ስለምንታይ ዘይንፍተን ዝብል እዩ ከምዝበላ ካብ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ንምርዳእ ይክኣል። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%88%95-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%8B%B2%E1%88%9E%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%88%B2%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%B5%E1%8A%A8%E1%88%AD-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%99-%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%8D\/6441351.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ -ውርሻ ኣቦነ እንጠንዮስ እንታይ`ዩ?","content":"3ይ ፓትሪያርክ ኤርትራ ኣቡነ እንጠንዮስ ዝሓለፈ ረቡዕ ዓሪፎም ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዓዶም ገዳም ኣቡነ፡ እንድርያስ ሰፍኣ ከም ዝተቐብሩ ኣብ ናይ ትማሊ ዜና ተሓቢሩ ኔሩ። ውርሻ ኣቦነ እንጠንዮስ እንታይ`ዩ ዝብል ንክልተ ካህናት ኦርቶዶክስ ኣዘራሪቡ`ሎ። ምስ ሊቀ-ካህናት ገብረሚካኤል ዮውሃንስ ካብ ደብረ ግእዛን መድሃኔ ኣለም ቤተክርስትያን ኣትላንታ ዝተካየደ ቃለ-መጠይቕ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል። No media source currently available ምስ ጸሓፊ ኣህጉረ፡ሰበኻታት ኤርትራ ቀሺ ሓለፎም ዓንድማርያም ዝተካየደ ቃለ-መጠይቕ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6438338.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ኩነታት ምእሳር ተወላዶ ትግራይ እንታይ ይመስል","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝተኣወጀ ህጹጽ እዋን ሓደጋ፡ ብፍላይ ተወላዶ ትግራይ ብብዝሒ ከምዝተኣሰሩ ክግለጽ ጸኒሑ`ሎ። ኣብዚ እዋን`ዚ ብዙሓት ካብኦም ከምዝተፈትሑን ይፍትሑ ከምዘለዉን ዝግለጽ ኮይኑ ብዙሓት`ውን ዘይተፍትሑ ከምዘለዉ፡ ሰብ-ሞያ ሕግን ተኣሲሮም ዝነበሩ ተወላዶ ትግራይን ይገልጹ`ለዉ። ብኻልእ ወገን፡ እቲ ናይ ምፍታሕ መስርሕ ከምዝቀላጠፍ መንግስቲ ይገልጽ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%88%B3%E1%88%AD-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B6-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%89%B3%E1%8B%AD-%E1%8B%AD%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%8D\/6437808.html"} {"headline":"ፕረ.ኣል ሲሲ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ምስ ፕረ.ሳል ተራኺቦም:ተዘራሪቦም","content":"ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታህ ኣል ሲሲ ንምምላእን ኣሰራርሓን ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ኣብ \"ሕጋዊ፣ፍትሓዊ፣ሚዛናውን ኣሳርን\" ስምምዕ ክብፃሕ ኣገዳሲ እዩ ክብሉ ምስ ናይ ሴኔጋል መዘነኦም ፕረዚደንት ማኪ ሳል ኣብ ቀረባ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተራኸቡሉ ገሊፆም። ፕረዚደንት ኣል ሲሲን ፕረዚደንት ሳልን ብመንፅር ኣብዚ ወርሒ ዝጅመር ናይ ሰኔጋል ኣቦ መንበርነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ግድብ ህዳሴ ምውዳድን ምኽክርን ክህልው ተሰማሚዖም ኣለው። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8A%A3%E1%88%8D-%E1%88%B2%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%88%B3%E1%88%8D-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/6437750.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀል ንግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ናውቲ ንጽህና ምልጋሱ ሓቢሩ","content":" ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣብ ደሴን ወልዲያን ፆታዊ መጥቓዕቲ ንንዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈላለዩ ናይ ንጽህና ናውቲ ምሃቡ ኣፍሊጡ።እቲ ኮሚቴ ወሲኹ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን'ውን ናይ ሕክምና ናውቲ፣ጥረ ገንዘብን ካልኦት ሓገዛትን ምሃቡ ኣፍሊጡ ኣሎ። ናብ ክልል ትግራይ ዝግበር በረራታት ቀረብ መድሓኒትን ናይ ሕክምና ናውትን 15 ምብፅሑ ወኪል ልኡኽ ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀል ኣብ ኢትዮጵያ ፋቲማ ሳቶር ገሊጸን። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ መግለፂ ዝሃቡ ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ እቲ ቀረብ መድሓኒት ምስቲ ዘሎ ሕፅረት ቀረባትን ሓጓፍን እኹል ከምዘይኮነ ገሊፆም ነይሮም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%88%95-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%89%80%E1%88%8D-%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8C%BE%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%8C%BD-%E1%8A%93%E1%8B%8D%E1%89%B2-%E1%8A%95%E1%8C%BD%E1%88%85%E1%8A%93-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8C%8B%E1%88%B1-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6437694.html"} {"headline":"ኦፌኮ ኩነታት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተኣሲሮም ዝርከቡ ዜጋታት ከምዘተሓሳሰቦ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ","content":"ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስ ኮንግረስ ፓርቲ ጉዳይ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተኣሲሮም ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ከምዘተሓሳሰቦ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት እቲ ፓርቲ ኣቶ ጥሩነህ ገምታ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ጉዳይ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ዜጋታት ዝተሓሳስብ ብምዃኑ መንግስቲ ህፁፅ ፍታሕ ክገብረሉ ፀዊዖም። ንሶም ወሲኾም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ዜጋታት ዝለዓለ ጸገም ገጢሙዎም ከምዘሎ ብምግላጽ ፈቖዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጒኖም ከምዝርከቡን ገሊኦም ድማ ከምዝሞቱን ሰሚዕና ኣለና፤መንግስቲ ቀዳምነት ሂቡ ክሰርሓሉ ኣለዎ ኢሎም። ርእይቶ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን። ቅድሚ ሰሙናት ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ስዑዲ ዓረብ ብምጉዓዝ ብዛዕባ ርክባት ክልቲአን ሃገራትን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ዜጋታት ዝርከቡሉ ኩነታትን መፍትሕታትን ብዝምልከት ተዘራሪቦም ምንባሮም ይፍለጥ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A6%E1%8D%8C%E1%8A%AE-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%8B%91%E1%8B%B2-%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%B3%E1%88%B0%E1%89%A6-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%98%E1%8B%8D%E1%8C%BD%E1%8A%A6-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6437679.html"} {"headline":"ቅራቦት ቍርሲ ኣብ ጎደናታት መቐለ","content":" ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅምር ንደሓር በበይኖም ስራሓት ግብረ-ሰናይ ተራእዮምን ይርኣዩ ኣለዉን። ኣብ ጎደናታት መቐለ፡ ንጽጉማት ቍርሲ ዝቕርቡን ካልእ ሰናይ ስራሓት ዝነጥፉ መንእሰያት ኣዘራሪብናዮም ኣለና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%85%E1%88%AB%E1%89%A6%E1%89%B5-%E1%89%8D%E1%88%AD%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%8E%E1%8B%B0%E1%8A%93%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88\/6436117.html"} {"headline":"ቅዱስ እንጦንዮስ፡ 3ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብረቡዕ ዓሪፎም ስነ-ስርዓት ቀብሮም ተፈጺሙ","content":"ብመሰረት ካብ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ 3ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብጹእ ወ-ቅዱስ ኣቡነ እንጥንዮስ ብረቡዕ ኣብ መበል 95 ዓመቶም ኣብ ኣስመራ ዓሪፎም። ቀብሮም ድማ ኣብ ገዳም ኣቡነ-እንድርያስ ሰፍኣ ኣብ ዝተዳለወ ስነ-ስርዓት ሓያሎ መእመናን ውልደ-ክህነትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ሎሚ ሓሙስ ንግሆ ከም ዝተፈጸመ ካብ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የምልከት። ካብ 2006 ኣትሒዞም ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝጸንሑ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ገና ኣብ ማሕዩር ገዛ እንከለዉ’ዮም ዓሪፎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%85%E1%8B%B1%E1%88%B5-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%8C%A6%E1%8A%95%E1%8B%AE%E1%88%B5-3%E1%8B%AD-%E1%8D%93%E1%89%B5%E1%88%AD%E1%8B%AB%E1%88%AD%E1%8A%AD-%E1%8A%A6%E1%88%AD%E1%89%B6%E1%8B%B6%E1%8A%AD%E1%88%B3%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8B%8B%E1%88%95%E1%8B%B6-%E1%89%A4%E1%89%B0-%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B2%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%A1%E1%8B%95-%E1%8B%93%E1%88%AA%E1%8D%8E%E1%88%9D-%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%89%A5%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%99\/6435825.html"} {"headline":"ኣብ ቤንሻንጉል ጉምዝ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ዝነበሩ 64,000 ሰባት ምምላሶም ተሓቢሩ","content":"ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታ ካብ መነባብርኦም ተፈናቂሎም ካብ ሞንጎ ዝነበሩ ነበርቲ መተከል - ቤንሻንጉል፣ መብዛሕተኦም ናብ መንበሪኦም ከምዝተመለሱ ተፈሊጡ። ክልላዊ መንግስቲ ቤንሻንጉል ብመሰረት ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ 107 ሽሕ ህዝቢ ተፈናቂሉ ከምዝነበረን፣ ልዕሊ 64,000 ህዝቢ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ክልተ ኣዋርሕ ናብ ከባቢኦም ተመሊሶም ኣለው ይብል። ኮሚሽነር ሓደጋ ስግኣት ኣቶ ታረቀኝ ታሲሰ \"መንግስቲ ንኩነታት ጸጥታ ስለዘማሓየሾ፣ ነቶም ሃዲሞም ዝነበሩ ንክምለሱ ብምእማን ንክምለሱ ይሰርሕ ኣሎ\" ኢሎም። ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ ንተፈናቀልቲ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ንምርዳእ ይጓየይ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ካብ ዝሓለፈ ጥሪ ጀሚሩ፣አብ ሞንጎ ሰራዊት ፈደራል መንግስቲን ደባይ ተዋጋእቲን ብሰንኪ ዝተወለዐ ውግእ፣ ኣስታት 103 ሽሕ ህዝቢ ዘተኣናግድ መዓስከር ከምዝተዘረፈን ከምዝተባርዐን ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ቦሪስ ቼስሪኮቭ ገሊጹ እዩ። ኣብ ቤንሻንጉል ዘሎ ኩነታት ዘሻቅል ምዃኑ ዝጠቅስ እቲ ወሃቢ ቃል፣ ኣስታት 70 ሽሕ ሱዳናዊያን ስደተኛታት፣ 500 ሽሕ ድማ ኢትዮጵያዊያን ተፈናቀልቲ ከምዘለው ሓቢሩ ኣሎ። ብካልእ ዜና፣ ዓለምለኸ ትካላት ረድኤት፣ ብሰንኪ ውግእ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ተፈናቂሎም ንዝነበሩን ንዝተጎድኡን ይሕግዝ ከምዘሎ ክልል ኣምሓራ ገሊጹ። ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ኣቶ ይልቃል ከፋለ ምስ ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ሎሚ ኣብ ባህርዳር ኣብ ልዕሊ ጉዳያት ጸጥታ ምዝርራቦምን ክልል ኦሮምያ ንክልል ኣምሓራ 100 ሚልዮን ብር ደገፍ ከምዝገበረ ዝበጽሓና ሪፖርት ገሊጹ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6435903.html"} {"headline":"አባላት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ዝጀመርዎ ናይ መግቢ ምሕሳም ኣድማ ምቕጻሉ ተገሊጹ","content":"ኣባላት ብኣቶ ዳውድ ኢብሳ ዝምራሕ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ፣ ግህሰት መሰላት ይፍጸመና ኣሎ ኢሎም ዝጀመርዎ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ሻድሻይ መዓልቱ ከምዝሓዘ እቲ ፓርቲ ገሊጹ። ጊዚያዊ ወሃቢ ቃል እቲ ፓርቲ ኣቶ ለሚ ገመቹ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ \"እቶም መራሕቲ ሓሚሞም ክሕከሙ እንተሓተቱ ተኸልኪሎም፣ ምስ ቤተሰብ፣ ጠበቃን ኣባላት እቲ ፓርቲ ካብ ዝራኸቡ ሸውዓተ ኣዋርሕ ሓሊፉ\" ክብል ሓቢሩ። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ቤት ፍርዲ ናጻ ድሕሪ ምባሉ ካብ ኣፍደገ ቤት ማእሰርቲ ዝተወሰደ ኣባል መሪሕነት ኦነግ ኮሎኔል ገመቹ፣ ድሕሪ ሸውዓተ ኣዋርሕ ተመሊሱ ትማሊ ኣብ ቤት ፍርዲ ከምዝቀረበ፣ ጠበቓኡ ኣቶ ሚልክያስ ቡልቻ ገሊጹ ኣሎ። ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ አዲስ አበባ ንኩነታት እቶም እሱራት ንምንጻር ዝገበርክዎ ዝተፈላለየ ፈተነታት ኣይሰመረን ትብል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8C%8D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%8A%93%E1%8C%BD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9E-%E1%8B%9D%E1%8C%80%E1%88%98%E1%88%AD%E1%8B%8E-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%B3%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%8B%B5%E1%88%9B-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%8C%BB%E1%88%89-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6435926.html"} {"headline":"ቀረባት ናብ ብግጭት ዝተሃሰየ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ይበጽሕ የለን ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ","content":"ጎንጺ ኣብ ዝሃሰዮ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ንዘለዉ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ቀረባት መድሃኒትን ካልኦት ኣድለይቲ ዝኾኑ ረድኤትን ከይበጽሖም ስእነት ጸጥታን ቢሮክራሲን ማሕለኻ ኮይኑ ቀጺሉ'ሎ ክብሉ ሰበ ስልጣን ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጾም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80%E1%88%A8%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%89%A5%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%83%E1%88%B0%E1%8B%A8-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%8A%AD%E1%8D%8B%E1%88%8D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%AD%E1%89%A0%E1%8C%BD%E1%88%95-%E1%8B%A8%E1%88%88%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6434071.html"} {"headline":"ምሕዝነት ኣመሪካን ኢትዮጵያን ይመሓየሽ ከምዘሎ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ኣመሪካ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ፍጹም ኣረጋ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ድሕሪ ናይ ተለፎን ርክብ ፕረዚደንት ባይደንን ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድን እቲ ምሕዝነት እናተመሓየሸ ይኸይድ ኣሎ ኢሉ። ኣምባሳደር ፍጹም ኣተሓሒዙ፡ ኢትዮጵያ ካብቲ ናይ ናጻ ቐረጽ ዕድል ዝህብ ኣጎዋ ድሕሪ ምውጽኣ ዘሎ ብድሆታት ዝጠቐሰ ክኸውን ከሎ፡ ብኻልእ ወገን ሓገዝ ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ዳግም ቀጺሉ`ሎ መንግስቲ ድማ እቲ ማዕቀብ ክልዓል ንዲፕሎማሲያዊ ፍታሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያውያን ዳያስፖራ፡ እታ ሃገር ዳግም ክትንስእን ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢትዮጵያን ምሕዝነት ክመሓየሽን ልዑል ኣበርክቶ ምግባሮም`ውን ኣምባሳደር ፍጹም ኣረጋ ጠቒሱ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%A8%E1%88%BD-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8A%A4%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6434459.html"} {"headline":"“ሰብኣዊ ሓገዝ ትማሊ’ዩ ክባጻሕ ነይሩዎ” ምክትል ዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃገራት","content":"ምክትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣሚና መሓመድ፡ ኣብ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ድሕሪ ምስታፋ ናብቲ ብዂናት ዝተሃስየ ክልላት ኣምሓራ፡ ትግራይን ዓፋርን ድሕሪ ምብጻሓ ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ኣብቲ ጉባኤ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ብምስታፋ ምስ መራሕቲ ዝተፈላለዩ ሃገራት ብቐጥታ ክትራኸብን ክትዛተን ዕድል ከም ዝፈጠርላ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝገበረቶ ዑደት ድማ ነቲ ኣሕዛኒ ክስተት ብኣካል ክትዕዘቦ ዕድል ምርካባ ሓቢራ። “ኣብ ኲናት ተዓዋቲ የሎን” ዝበለት ምክትል ዋና ጸሓፊ፡ ምስ በበይኖም ኣካላት ሕቡራት ሃገራትን ሰራሕተኛታት ረዲኤትን’ውን ክትራኸብ ምኽኣላ ኣመልኪታ። “ሰብኣዊ ሓገዝ ሎሚ ዘይኰነስ ትማሊ’ዩ ክባጻሕ ነይሩዎ” ድሕሪ ምባላ ድማ፡ እቶም ልዕሊ ኵሉ በዚ ኲናት ዝተሃስዩ ወገናት ደቀንስትዮን ቆልዑን ምዃኖም ድሕሪ ምጥቃስ እቲ ሓገዝ ድማ ዝያዳ ናብኣቶም ክባጻሕ ኣስሚራ። እታ በዓልቲ መዚ ቀጺላ፡ ሕቡራት ሃገራት እቲ ዝኣምነሉ መስመር ምቍራጽ ተጻብኦታት ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፡ ናብ ዝቕጽል መገዲ ሃገራዊ ዘተን ዕርቂን ንምብጻሕ ድማ ሕጂ’ውን እቲ ምቍራጽ ተጻብኦታት እንኮ ኣማራጺ ምዃኑ ሓቢራ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6434078.html"} {"headline":"ምኽትል ዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃ ኣብ ክልል ዓፋር ብምብጻሕ ብግጭት ንዝተጎድኡ ምዕዛባ ተገሊጹ","content":"ምኽትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣሚና መሓመድ፡ ብፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለ-ወርቅ ዘውደ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦለሰገን ኣባሳንጆን ተሰንያ ትማሊ ክልል ዓፋር ብምብጻሕ ብግጭት ንዝተጎድኡ ምዕዛባ ተሓቢሩ። ወሃቢ ቓል ክልል ዓፋር ኣሕመድ ቀለታ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እታ ምኽትል ዋና- ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ብመጥቃዕቲ ህወሓት ልዕሊ 300 ሺሕ ህዝቢ ዝተፈናቐለሉ ከባቢ`ያ ምብጻሕ ጌራ ይብል።እቲ ወሃቢ ቓል ክልል ዓፈር ኣሚና መሓመድ ኣብ ዱፍቲ ንዝርከብ ግዳያት ዝርከብሉ ሆስፒታል ዝበጽሐት ክትከውን ከላ ብዳሕራዋይ መጥቃዕቲ ህወሓት ዝወረደ ኣዕናዊ ተግባራት`ውን ብቐረባ ክትዕዘቦ ክኢላ ኢሉ ። እታ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ መበል 35 ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ ድሕሪ ምስታፍ ኣብ ዝተፈላላየ ብግጭትን ደርቅን ዝተጎድኡ ክልላት ኢትዮጵያ ምብጽሓ ይፍለጥ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%89%B5%E1%88%8D-%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%8A%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%89%A5%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%8E%E1%8B%B5%E1%8A%A1-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%8B%9B%E1%89%A3-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6434206.html"} {"headline":"ዳይሬክተር ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ ኣብ ጂጂጋ በጺሑ","content":"ዳይሬክተር ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣመሪካ ሽን ጆንስ ኣብ ጂጂጋ ምስ ሰበስልጣን፡ ትካላት ረድኤትን ብደርቂ ዝተጎድኡ ኣባላት ማሕበረሰብ ሶማልን ምርኻቡ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ሓቢሩ። ሳዕቤን ደርቂ ንምክልኻል ኣህጉራዊ ትካል ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣመሪካ ሓገዝ ከምዝገብር`ውን ቃል ኣትዩ። ኣብ መጀመርያ `ዚ ወርሒ እቲ ኣመሪካዊ ትካል፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝርከቡ ልዕሊ 500 ሺሕ ዝኾኑ ጉዱኣት ንምሕጋዝ ልዕሊ 218 ሚልየን ዶላር ክልተ ሓደሽቲ ወፍሪታት ከምዝገብር ሓቢሩ ኔሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B3%E1%8B%AD%E1%88%AC%E1%8A%AD%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8B%A9-%E1%8A%A4%E1%88%B5-%E1%8A%A4-%E1%8A%A3%E1%8B%AD-%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%82%E1%8C%82%E1%8C%8B-%E1%89%A0%E1%8C%BA%E1%88%91\/6434250.html"} {"headline":"ሚንስትሪ ገንዘብ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ዝተወሰነ እገዳ ናብ ትግባረ ይሰጋገር ምህላው ሓቢሩ","content":"ብሰንኪ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ቅልውላው ሰብኣዊ ረድኤትን ሰብኣዊ መሰላትን፣ ኣብ ልዕሊ ገለ መንግስታዊ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ዝተወሰነ እገዳ፣ ናብ ትግባረ ገጹ ይሰጋገር ከምዘሎ፣ ሚንስትር ገንዘብ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ። እቶም ዝትግበሩ ሕጊታት፣ ህዝቢ መታን ክፈልጦም ተዘርጊሖም ከምዘለው፣ ኣብ ሃገራዊን ፈደራላዊን ገጽ ተሓቲሞም ድሕሪ ምውጸኦም ካብ ጽባሕ ረቡዕ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኾኑን ኣፍሊጡ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%8C%88%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%90-%E1%8A%A5%E1%8C%88%E1%8B%B3-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%88%A8-%E1%8B%AD%E1%88%B0%E1%8C%8B%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6433005.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ካብ ዲላ ናብ ኣማሮ ይጉዓዛ ኣብ ዝነበራ መካይን ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ 3 ሰባት ሞይቶም","content":"ካብ ዲላ ናብ ወረዳ ኣማሮ ክልል ኦሮምያ ይጓዓዛ ኣብ ልዕሊ ዝነበራ ሓሙሽተ ናይ ጽዕነት መካይን ብሰንኪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ሰለስተ ሰባት ምሟቶምን ኣርባዕተ ካልኦት ብርቱዕ ጉድኣት ከምዝወረዶምን ተፈሊጡ። ኣመሓዳሪ ዞባ ገላና ብወገኖም መንግስቲ 'ኦነግ ሸኔ' ክብል ዝጽውዖ ንገዛእ ርእሱ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ውድብ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሞን፣ ካብ ክልልን ፌደራልን ሓገዝ ይጽበዩ ከምዘለው ምግላጾም ተፈሊጡ'ሎ። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ኦዳ ታርቢ ኣብ ዝዘርገሖ ናይ ትዊተር መልእኽቲ፣ ዘይሻራዊ ኣጻራዪ ትካል ወይ ድማ መራኸቢ-ብዙሃን ኣብ ዘይብሉ ሃዋሁ፣ ብመንግስቲ ዝገበር ግህሰት’ዩ ድሕሪ ምባል፣ እቲ መጥቃዕቲ ብናጻ ኣካል ንክጻረ፣ ብሰንኪ’ቲ ብወተሃደራት መንግስቲ ዝወርድ ዘሎ ቅሉዕ ጭፍጨፋ፣ ብዙሓት ሰለማውያን ሰባት ተመዛቢሎም፣ ተፈናቂሎምን እዮም ይብል። ወሃብ-ቃል ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ኦዳ ታርቢ \"ማሕበረሰብ ዓለም፣ ናጻ ኣካል ኣቚሙ፣ ምጽራይ ክግበር ንጽውዕ\" ኢሉ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%B2%E1%88%8B-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%9B%E1%88%AE-%E1%8B%9D%E1%8C%89%E1%8B%93%E1%8B%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AB-%E1%88%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%98-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-3-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/6432769.html"} {"headline":"ነበርቲ ገለ ከባቢታት ክልል ዓፈር ብሰንኪ መጥቓዕቲ ሓይልታት ትግራይ ሃለዋት 150 ሽሕ ሰባት ከምዝጠፍኦም ሓቢሮም","content":"ነበርቲ ገለ ከባቢታት ዓፋር፣ ብሰንኪ ሓይልታት ትግራይ ፈንዮምዎ ዝተባህለ መጥቃዕቲ፣ ደሃይ ልዕሊ 150 ሽሕ ሰባት ጠፊኡና ኣሎ ከምዝበሉ ተፈሊጡ። ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ድማ \"ሓይልታት ትግራይ፣ ንመራኸት መስመር ጂቡቲ ዝኾነት ከተማ ሰርዶ ንምቁጽጻር፣ ብወገን ኪልበቲ ረሱ ውግእ ከፊቶም\" ከምዝበለ እቲ ዜና ይሕብር። እቲ መግለጺ ወሲኹ \"ሓይልታት ትግራይ፣ ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ ወረዳታትን ሓደ ምምሕዳር ከተማን፣ ብዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ፣ ልዕሊ 300 ሽሕ ሰባት ከምዝተፈናቀሉ\" ሓቢሩ። ክልል ትግራይ ኣብ’ዚ ቀረባ ኣብ ዝዘርገሖ መገልጺ ብወገን ዓፋር ሓሊፉ ናብ ትግራይ ንዝኣቱ ረድኤት ንከይሓልፍ ይግበር አሎ ብምባል ከምዝኮነነን፣ ኣብ ልዕሊ ክልል ዓፋር መጥቓዕቲ ምፍናው ከምዘረጋገጸ ዝዝከር እዩ። ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ \"ኣብ ክልል ዓፋር ዝተወለዐ ውግእ፣ ንኣመሪካ የሻቅላ እዩ' ከምዝበለ ዝዝከር እዩ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8C%88%E1%88%88-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8D%88%E1%88%AD-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%83%E1%88%88%E1%8B%8B%E1%89%B5-150-%E1%88%BD%E1%88%95-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8C%A0%E1%8D%8D%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/6432798.html"} {"headline":"ዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃ ናብ ዋዕላ ሕ\/ኣፍሪቃ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ምልኣኾም ተሓቢሩ","content":"ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፣ ናብ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ከምዘሕለፉ ወሃቢ ቃል ሕ\/ሃ ፈርሃን ሃቅ ገሊጹ። እቶም ዋና ጸሓፊ፣ ርክብ ሕ\/ሃን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ዝሓየለ ብርኪ ከምዝርከብ፣ \"ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ጊዜ ንነብር ከምዘለና፣ ሳኣን ፍትሒ፣ ዓለምለኸ ጸገም እናተፈጠረ፣ ንኣፍሪቃውያን ድማ ከቢድ ዋጋ የኽፍሎም ኣሎ\" ኢሎም ። ተቀባልነት ዘይብሉ ዘይማዕርነታዊነት፣ ንኣፍሪቃ ኣጨናኒቁ ግጭታት ይውልዕ ኣሎ፣ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊን፣ ዓሌታዊን ማሕበራዊን ውጥረት እናስዐበ፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዓመጽ፣ ግብረ ሽበራ፣ ወትሃደራዊ ዕልዋታትን ካልኦት ጸገማትን የስዕብ ኣሎ ኢሎም። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ መልእኽቶምኣብ መላእ ኣፍሪቃ፣ ቁጠባዊ ሕውየት፣ ክታበት ጸረ ኮቪድ19፣ ሰላምን ንክዓስል፣ ሕቡራት ሃገራት ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓቢሩ ክነጥፍ እዩ ኢሎም ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%8A-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8B%8B%E1%8B%95%E1%88%8B-%E1%88%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%AA%E1%8B%B5%E1%8B%AE-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A3%E1%8A%BE%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6432841.html"} {"headline":"ምኽትል ዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃን ፍሉይ ልኡኽ ሕ\/ኣፍሪቃን ኣብ ኲናት ዝተኻየደሎም ከባቢታት ኢትዮጵያ ምብጽሖም ተገሊጹ","content":"ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኮይነን ኣብ ኣኼባ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሳተፋ ምክትል ዋና ጸሓፊ ኣሚና መሓመድ፣ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን መገሻ ከምዝፈጸማን ኣብ ካልኦት ክልላት’ውን ተመሳሳሊ ምብጻሕ ከምዘካየዳተፈሊጡ። ብመሰረት’ዚ፣ ትማሊ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣትየን፣ ምስ ኣማሓዳሪ’ቲ ክልልን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ተዘራሪበን። ከምኡ'ውን ውግእ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ዘውረዶ ጉድኣት ተዓዚበን። ንሰን ምስ ደቂ ኣንስትዮን ተማሃሮን ድሕሪ ምርኻበን ኣብ ዝሃበኦ ርእይቶ \"ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ጾታ ዝተመርኮሰን ጾታዊ መጥቃዕቲን ፈጺሙ ኣይጻወርን\" ኢለን። ንሰን ወሲኸን \"ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ሰላም ንክረክብ ግድን ክነሕግዝ ኣለና'ውን\" ኢለን። ኣብ መቐለ’ውን ተመሳሳሊ መገሻ ዝፈጸማ ኣሚና መሓመድ፣ ውግእ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ዘውረዶ ጉድኣት ተዓዚበን። ምስ ናይ ክልል ትግራይ ፕረዚደንት፣ ብዛዕባ ውግእ ብሰላም ዝፍተሐሉ ኩነታትን ዕድላቱን’ውን ተዘራሪበን። ኣሚና መሓመድ ኣብ’ቲ ሕቡራት ሃገራት ዝምውሎ ሆስፒታል ዓይደር መቐለ በጺሐን። ደቂ ኣንስትዮ ዘጓነፈን ጸገም ክዝረበሉ ከምዝግባእን ኣብ ውግእ ዝዕወት ወገን ከምዘየለን ጠቂሰን። ምክትል ዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃ ኣሚና መሓመድ፣ ኣብ ክልል ሶማሌ ንብምብጻሕ ንብደርቂ ዝተጎድኡ ማህበረሰብ'ውን በጺሓን። ብተመሳሳሊ ሎሚ ሶኑይ ፕረዚደንት ናይጀሪያ ነበርን ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኦሌሰንጎን ኦማብሳንጆ ዑደት ኣብ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን አካይዶም። እቶም ፍሉይ ልኡኽ ክፍታሕ ብዝኽእል ፀገም ዘጋጠመ ምጥፋእ ህይወትን ንብረት ከምዘሕዘኖም ኣይሓብኡንን። ምኽትል ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ጌታቸው ደጀን ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክባፃሕ ካብ ዝገብሮ ፃዕሪን ፃዊዕትን ብተወሳኺ ኵናት ክለዓል ዝሰርሑ ሓይልታት ካብ ተግባሮም ክዕቀቡ ናይ ምግባር ሞራላውን ሕጋውን ሓለፍነት ኣለዎ ኢሎም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%89%B5%E1%88%8D-%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%8A-%E1%88%95-%E1%88%83%E1%8A%95-%E1%8D%8D%E1%88%89%E1%8B%AD-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%88%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B0%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%88%96%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6431207.html"} {"headline":"ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ 13 ሚልዮን ሰባት ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልይዎም ከምዘሎ ሕ\/ሃ ገሊጹ","content":"ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዘጓነፈ ሓደጋ ደርቂ፣ 13 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ከቢድ ጥሜት ከምዘውደቀ ኣፍሊጡ። ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሶማልያን ኬንያን ዝርከቡ ህዝቢታት፣ ኣብ ዝሓለፉ 33 ዓመታት ኣጋጢሙዎም ዘይፈልጥ ሓደጋ ጥምየት ከምዘጋጠመ ዝገለጸ ሕቡራት ሃገራት፣ ቅድሚ ሰብኣዊ ቅልውላው ምግጣሙ ህጹጽ ሓገዝ ንክረኽቡ ጸዊዑ ኣሎ ። እቲ ሓደጋ ደርቂ፣ ንሓረስቶትን ሰበኽ ሳግምን ደቡባዊን ደቡብ ምብራቅ ኢትዮጵያ፣ ደቡባዊ ምብራቅ ኬንያን ደቡብን ማእከላይን ሶማልን ከምዘጥቀዐ’ውን ተሓቢሩ'ሎ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም 4.5 ሚልዮን ህዝቢ ንምሕጋዝ ዘኽእሎ 327 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልዮ’ውን ጠቂሱ ኣሎ። ትካል ህጻናት ሕ\/ሃ ኣብ’ዚ ቀረባ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ሽዱሽተ ሚልዮን ኢትዮጵያዊያን ክሳብ መፋርቅ መጋቢት፣ ተጸበይቲ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዝኾኑ ከምዝሓበረ ዝዝከር እዩ። ኣብ ጎረቤት ሶማል ድማ፣ ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ረድኤት ተጸበይቲ ከምዝኾኑ ሓቢሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%80%E1%88%AD%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-13-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B-%E1%8C%A5%E1%88%9D%E1%8B%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%8C%B8%E1%88%8B%E1%88%8D%E1%8B%AD%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6432854.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ኣብ ርድኢትን ምዕባለታትን ሕማም መንሽሮ","content":"4 ለካቲት ዓለምለኸ መዓልቲ ሕማም መንሽሮ (ካንሰር)’ዩ ነይሩ። ነዚ መዓልቲ ምክንያት ብምግባር ኣብቲ ሕማም ዘሎ ርድኢት፡ ዓይነታት ሕማም መንሽሮ፡ ከምኡ’ውን ኣብዚ ዓውዲ ዝካየድ ዘሎ ሕክምናዊ መርመራታት ንኸብርሁልና ኣብ ምርምር ሕማም መንሽሮ ኣመልኪቱ ዝግበር ስራሓት ብንጥፈት ዝዋስኡ ዶክተር ኣሮን ከፈላ ካብ ክፍለ-ግዝኣት ጆርጂያን ዶክተር ጻድቕ ሃብተጽዮን ካብ ሲያትል ዋሺንግተንን’ዮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%AD%E1%8B%B5%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%89%A3%E1%88%88%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%95%E1%88%9B%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%88%BD%E1%88%AE\/6432653.html"} {"headline":"ኵነታት ማሕበር ልምዓት ትግራይ","content":"ኣብ ዝሓለፈ መደባትና ንኣገባባት ምስዳድ ገንዘብ ናብ ክልል ትግራይ ንፀሓፊ እቲ ማሕበር ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ኣቶ ሚካኤል በርሀ ምዝርራብና ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣብ ናይ ሎሚ ድማ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ምንታይ ኩነት ትርከብ፧ ዝብሉን ካልኦት ሕቶታትን ዝመለሰ ቃለ ምልልስ ቀሪብናልኩም ኣለና። ብዙሕ ድያስፖራ ካብ ምሉእ ዓለም ገንዘብ ክሰድድ ኸምዝጸንሐን እታ ማሕበር ምስቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ናይ መራኸቢ ጸገም ነቲ ዝተሰደደ ገንዘብ ብዝድለ ቅልጣፈ ናብ ተጠቃሚ ንምምሕልላፍ ካብ ዝተገመተ ንላዕሊ ነዊሕ ጊዜ ስለዝወሰደላ ዛጊድ ንዝተላእኸ ክሳብ ዝጻፈፍ ሓዱሽ ምቕባል ንዘይተወሰነ ግዘ ደው ከምዘበለት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣፍሊጣ ኣላ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%B5%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%88%8D%E1%88%9D%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/6431431.html"} {"headline":"ዋዕላ ሕ\/ኣፍሪቃ ንእዋናዊ ጉዳያት'ታ ኣህጉር ዝምልከት ውሳነታት ብምሕላፍ ተዛዚሙ","content":"መበል 35 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዙሪያ እዋናዊ ፈተናታት ናይታ ኣህጉር ውሳነታት ብምሕላፍ ተዛዚሙ። ሓድሽ ኣቦ መንበር'ቲ ሕብረትፕረዚደንት ሴኔጋል ሚኪ ሳል ድሕሪ እቲ ጉባኤ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ብፍላይ ምኽኒያት ፀገማት ሰላምን ፀጥታን ዝኾኑ ጉዳያት ፍሉይ ትኹረት ክወሃቦም ፀዊዖም።ኣብታ ኣህጉር እናተዘውተረ ይመፅእ ዘሎ ዕልዋመንግስቲ ብዝኾነ ይኹን ተቐባልነት የብሉን ኢሎም። ብዛዕባ እቲ ጉባኤ ንድምጺ ኣመሪካ ርእይትኦም ዝሃቡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ተሓባባሪ ፕሮፌሴር ሰላምን ድሕነትን ዶክተር ዮናስ ኣዳዬ ኣፍሪቃ ውሽጣዊ ፀገማታ ብውሽጣዊ መፍትሒ እንተዘይፈቲሓ ንዘመናት ዝጸንሕ ፀገም ሰላምን ፀጥታን መፍትሒ ኣይርከብን ኢሎም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8B%E1%8B%95%E1%88%8B-%E1%88%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%88%95%E1%88%8B%E1%8D%8D-%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%99\/6431227.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከብ መዕቖቢ ክሃድሙ ንዝተገደዱ 20,000 ስደተኛታት ናይ ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ከምዘድልይ ተገሊጹ","content":"ኣብ ሰሜን ምዕራብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከቡ መዕቖቢ ብሰንኪ ህውከት ክሃድሙ ዝተገደዱ ልዕሊ 20,000 ሱዳናዊያንን ደቡብ ሱዳናዊያንን ስደተኛታት ናይ ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ከምዘድልይዮም ተሓቢሩ። 10,300 ሱዳናዊያንን ደቡብ ሱዳናዊያንን ተዓቒቦምሉ ዝነበረ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዝርከብ ካምፕ 19 ጥሪ 2022 ተዘሪፉን ተቓፂሉን። እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ መንጎ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ጉጅለታትን ሓይልታት ፀጥታን ኣብ ጥቓ ከተማ ቶንጎ ቶኽሲ ድሕሪ ምልዓሉ እዩ።እዚ ዘተሓሳስብ ፍፃመ ዘጋጠመ ድሕሪ ፈላማይ ግጭት ኣብ መወዳእታ ታሕሳስ ኣብ ካልእ ናይ መዕቖቢ ድሕሪ ምግጣሙ'ዩ። ወሃቢ ቃል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ወኪል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ቦሪስ ቸስሪኮቭ ኣብቲ ክልል ካብ ታሕሳስ ጀሚሩ ወጥሪ ይንህር ኣሎ ኢሎም። ኣብ ዶብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝርከብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ልዕሊ 70,000 ስደተኛታት ክልቲአን ሃገራትን ብሰንኪ ግጭት ማሕበረሰባት ዝተመዛበሉ ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ናይ ውሽጢ ተመዛበልቲ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ምትእንጋድ ይርከብ። ቸሲርኮቭ ናይቲ ክልል ሰበስልጣን 20,000 ሰባት ክሕዝ ዝኽእል ሓድሽ ግዚያዊ መዕቖቢ ማእኸል የጣይሹ ኣለው ኢሎም ።ንሶም ወሲኾም ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት መፅለሊ፣ማይን ናውቲ ጽሬትን ሓዊሱ መሰረታዊ ዝኾኑ ኣገልግሎታት ንምጥያስ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%95%E1%89%96%E1%89%A2-%E1%8A%AD%E1%88%83%E1%8B%B5%E1%88%99-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%8B%B0%E1%8B%B1-20-000-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%85%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%8A%95-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%B5%E1%88%8D%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9-\/6431255.html"} {"headline":"መሓሪ ዑቕባሚካአል (ጠዊል)፡ ስነ-ጥበባዊ ስርሓቱን ኩነታት ጥዕንኡን","content":"ስነ-ጥበበኛ መሓሪ ዑቕባሚካኤል (ጠዊል) ሓደ ካብቶም ኣብ ስነ-ጥበብ ኤርትራ ብሓፈሻ ኣብ ባህሊ ትግርኛ ከኣ ብፍላይ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበሩ ዘለዉ መንእሰያት’ዩ ። ኣብ 2007\/2008 ካብ ኮለጅ ማይ ነፍሒ ብዓውዲ ምሕደራ ንግዲ ዝተመረቐ መሓሪ ፡ነቲ ተማሃራይ ከሎ ዝጅመሮ ስነ-ጥበባዊ ንጥፈታቱ ንምድራዕ ፡ካብ ኮለጅ ንግድን ማሕበራዊ ስነ ፍልጠትን ዓዲ ቐይሕ ብዓውዲ ስነ-ጽሑፍ ተወሳኺ ትምህርቲ ተኸታቲሉ ተመሪቑ’’ዩ። በቲ ዝተመረቐሉ ዓውዲ ከኣ ኣብ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ ኣብ ምስራሕ ይርከብ፡ጎኒ ጎኒ ፡ ኣብ ኣፋዊ ያታታት ብሄረ ትግርኛ ዝገብሮ መጽናዕቲ፡ ንዝተፈላለዩ መንእሰያትን ዓበይትን ደረፍትን ብርክት ዝበሉ ግጥምታትን ዜማታትን ኣበርኪቱ’ዩ ። ህዝባውን ሃገራውን ባዓላት ንምድማቕ ኣብ ዝቐርቡ ድራማታት’ውን እጃሙ ኣበርኪቱ’ዩ።ንባህሊ ትግርኛ ዝገልጹ ጽሑፋት ኣብ ምድላውን ንሓደስቲ መንእሰያት ኣብ ኣፋዊ ያታታትን ባህላዊ ውርሻታትን ዘተኮሩ ስልጠናታት ኣብ ምሃብን ፡ኣብ ምሕጋዝን ፡ተመክሮኡ ኣብ ምክፋልን ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ዝገብር ዘሎ ግዱስ ስነ-ጥበበኛ’ዩ። ስነ-ጥበበኛ መሓሪ ዑቕባሚካኤል(ጠዊል) ኣብ የማናይ እግሩ ብዘጋጠሞ ማህረምቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ከቢድ መጥባሕቲ ኣካይዱ’ሎ።ንኩነታት ስነ-ጥበባዊ ስርሓቱን ጥዕንኡን ኣመልኪቱ ንድምጺ ኣመሪካ ዝሃቦ ቃለ መሕትት ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%93%E1%88%AA-%E1%8B%91%E1%89%95%E1%89%A3%E1%88%9A%E1%8A%AB%E1%8A%A0%E1%88%8D-(%E1%8C%A0%E1%8B%8A%E1%88%8D)-%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%8C%A5%E1%89%A0%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%93%E1%89%B1%E1%8A%95-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%95%E1%8A%A1%E1%8A%95\/6427055.html"} {"headline":"ዓለምለኸ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል 10ይ ዙር ምብጻሕ መድሃኒት ኣብ ክልል ትግራይ ፈጺሙ","content":"ዓለምለኸ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል፡ ሎሚ ዓርቢ ንመበል 10ይ ዙር ቀረባት መድሃኒት ዝጸዓነት ነፋሪት ናብ ክልል ትግራይ ልኢኹ። ከም ሓበሬታ እቲ ትካል፡ እታ ነፋሪት መሰረታዊ ሕክምናዊ ቀረባት ዝሓዘት ክትከውን እንከላ፡ ብሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያን እቲ ውድብን ዝተቐረበ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ቀዳማይ ብበረራ ዝግበር ምብጻሕ መድሃኒት ናብ መቐለ ብ26 ጥሪ ዝፈጸመ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል፡ በቲ ኲናት ናብ ዝተጠቕዑ ክልላት ዓፋር፡ ኣምሓራ፡ ኦሮሚያን ሶማሊያን’ውን ከም ዘባጽሐ ይጠቅስ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B0-%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%88%95-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%89%80%E1%88%8D-10%E1%8B%AD-%E1%8B%99%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%83%E1%8A%92%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%99\/6426844.html"} {"headline":"መግለጺ ኦቻ ንተባጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ","content":"ምውህሃድ ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ንተበጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ገምጋም፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ብተዛማዲ ኲናት ዝሒሉ ብምህላዉ እቲ እናኸፍአ ክመጽእ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ቅልውላው ካብቲ ዝነበሮ ደኣ ኣይግደድ እምበር፡ ብሰንኪ ሕጽረት ቀረባት ግን እቲ ከባቢ ኣብ ከቢድ ሽግር ከም ዘሎ ጸብጺቡ። ኦቻ ንወግዓዊ ምንጭታት ብምጥቃስ፡ ኣብቲ ኲናት ዘቐነዮ ክልል ዓፋር ኣስታት 200-ሽሕ ሰላማዊ ህዝቢ ምምዝባሉ ኣመልኪቱ ኣሎ። እቲ ጸብጻብ ወሲኹ፡ እቲ ቀንዲ ናብ ትግራይ ዘእቱ መስመር ሰመራ፡ኣብዓለ፡መቐለ ብምዕጻዉ ሰብኣዊ ተበጻሕነት ናብ ትግራይ ንምፍጻም ከም ዘይተኻእለ ኣመልኪቱ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%A6%E1%89%BB-%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%8C%BB%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/6426929.html"} {"headline":"ሰብ-ሞያ ጥዕና ትግራይ ኣብ መፃብቦ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ሰብ-ሞያ ጥዕና ንዝሓለፈ ሸሞንተ ኣዋርሕ መሃየኦም ኣይተኸፍሎምን። እዚ ምስ ሕፅረት መሰረታዊ ቀረባት ተጋዲዱ ከመይ’ኮን ይዋፅኡ ይህሉዉ? ንገለ ካብኣቶም ኣዘራሪብናዮም ኣለና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%9E%E1%8B%AB-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8D%83%E1%89%A5%E1%89%A6\/6425349.html"} {"headline":"ጕዕዞ ኣለምን ክብሮምን፤ “ካብ ገሃነም ናብ ገነት”","content":"ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ንሸሞንተን ዓሰርተን ዓመታት ክሳቐዩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ኣለም ተስፋይን ክብሮም ኣድሓኖምን፡ ብሳላ ሰፊሕ ጎስጓስ ህዝቢን ተሓለቕቲ ትካላትን፡ ካብ ንኤርትራ ምስጓግ ድሒኖም ብ20 ጥሪ ናይዚ ዓመት’ዚ ካናዳ ኣትዮም ኣለዉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%95%E1%8B%95%E1%8B%9E-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8C%88%E1%88%83%E1%8A%90%E1%88%9D-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8C%88%E1%8A%90%E1%89%B5-\/6425338.html"} {"headline":"ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈጻሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪቃ ንካልኣይ መዓልቲ ቀጺሉ ውዒሉ'ሎ","content":"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ይካየድ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈጻሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪቃ ንካልኣይ መዓልቱ ሎሚ’ውን ቀጺሉ ኣሎ። እቲ ኣኼባ፣ ንሰላምን ድሕነትን ወሲኹ፣ ለበዳ ኮቪድ19 ን ካልኦት ኣጀንዳታትን ከምዘልዐለ’ውን እቲ ዜና ይሕብር። እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ምክትል ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢን ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮንን፣ ምስ ናይ ቱኒዝያን ሞሮኮን መዘነኦም ከምዝተዘራረቡ ተፈሊጡ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%8A%BC%E1%89%A3-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8D%88%E1%8C%BB%E1%88%9A-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%95%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A3%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%89%80%E1%8C%BA%E1%88%89-%E1%8B%8D%E1%8B%92%E1%88%89-%E1%88%8E\/6425219.html"} {"headline":"ተራ ኣደታት ኣብ ምውጋድ ተጻብኦታት","content":"መስርሕ ሰላም ብዙሕ እዋን ንወሰንቲ ኣካላት ዝግደፍ መሲሉ ደኣ ይርአ’ምበር፡ እቲ ተግባር ግን ብዝነኣሰ ካብ ገዛ’ውን ክጅምር ዝኽእል’ዩ። ተራ ኣደታት ኣብዚ ብዂናት ዝሳቐ ዘሎ ኤርትራን ኢትዮጵያን እንታይ ክኸውን ይኽእል፧ ዜጋታት’ከ ካብ ላዕሊ ከይተጸብዩ፡ ብውልቆም፡ ኣብ ምፍታሕ’ቲ ግጭትን ምውጋድ ጽልኢን እንታይ ተራ ክጻወቱ ይኽእሉ፧ ነዚን ካልእ ምስኡ ዝዛመድ ኣርእስታትን ብዝምልከት ንወ\/ሮ ዮርዳኖስ ገብረ\/መስቀልን ራሄል ይፍጠርን ዓዲምናየን ኔርና። ካብ ኤርትራን ትግራይ፡ኢትዮጵያን ዝመጻ ዕዱማት ነበርቲ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ’የን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%8B%B0%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%8C%8B%E1%8B%B5-%E1%89%B0%E1%8C%BB%E1%89%A5%E1%8A%A6%E1%89%B3%E1%89%B5\/6424500.html"} {"headline":"ዓለምለኸ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ኣብ ውሽጢ ሰሙን ሸውዓተ ሓገዝ ዝጸዓና በረራታት ናብ መቐለ ምክያዱ ሓቢሩ","content":"ዓለም-ለኸ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ምስ ፈደራል መንግስቲ ብምትሕብባር ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ብድምር ሸውዓተ በረራታት ናብ መቐለ ትግራይ ብምግባር ቀረባት ሕክምናን መድሃኒትን ከቕርብ ምኽኣሉ ኣፍሊጡ። ወሃቢት ቃል ቀይሕ መስቀል ኣብ ኢትዮጵያ ፋጢማ ሳኮር ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃበቶ ቃለ-መጠይቕ፡ እቲ ምብጻሕ ረድኤት ከምዝቕጽልን ናይ መሬት መጓዓዝያ ንምጥቃም ድማ ኣብቲ ግጭት ምስ ዘለዉ ክልቲኦም ወገናት ይዘራረቡ ምህላዎምን ሓቢራ። ሎሚ ረቡዕ ጥራሕ ክልተ በረራታት ናብ መቐለ ከምዝተገበረ ዝግልጽ ቀይሕ መስቀል፡ እቲ በረራታት ከምዝቕጽል ኣፍሊጡ`ሎ። ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀልን ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያን ዝገብርዎ ዘለዉ ድጋፍ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ተቛሪጹ ብዝጸንሐ ቀረባት ሕክምናን መድሓኒትን ንዝተፈጥረ ክፍተት ከጽብቦ ከምዝኽእል እታ ወሃቢት ቃል ጠቒሳ`ላ። ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን`ውን ከምኡ ድጋፍ ይገብር ምህላዉ ኣፍሊጡ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B0-%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%88%95-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%89%80%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8D%E1%88%BD%E1%8C%A2-%E1%88%B0%E1%88%99%E1%8A%95-%E1%88%B8%E1%8B%8D%E1%8B%93%E1%89%B0-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8B%93%E1%8A%93-%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%88%AB%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8B%AB%E1%8B%B1-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6423506.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ:ነበርቲ ዞባ ጉጂ በቲ መንግስቲ ኦነግ ሸኔ ዝብሎም ዕጡቓት መጥቓዕቲ የጋጥሞም ምህላው ሓቢሮም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ጉጂ ወረዳ ገላና፡ ነበርቲ፡ በቲ መንግስቲ ኦነግ ሸኔ ኢሉ ዝጽውዖም ዕጡቓት ዝወርዶም መጥቃዕቲ ገዲዱ ምቕጻሉ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። እቶም ንባዕሎም ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኢሎም ዝጽውዑ ዕጡቓት፡ ከብቶምን ከም ጠበናጁ ዝበለ ንብረቶምን ይዘርፍዎም ከምዘለዉን ድሕነቶም ኣብ ስግኣት ከምዝወደቑን እቶም ነበርቲ ይገልጹ። ምምሕዳር`ቲ ወረዳ ብወገኑ፡ በቲ ዝወርድ ዘሎ መጥቃዕቲ ህይወት ሰብ ምሕላፉን ዜጋታት ምፍንቓሎምን ድሕሪ ምጥቃስ፡ ክልልን መንግስትን ተወሳኺ ሓይሊ ኣዋፊሩ ስጉምቲ እንተዘይወሲድሎም እቲ ኩነታት ኣሸጋሪ ከምዝኸውን ኣፍሊጡ`ሎ። ብኻልእ ወገን ፍሉይ ሓይሊ ኦሮሚያን ፖሊስን ከምኡ`ውን ሰራዊት ምክልኻል ብምውህሃድ ብዘካየድዎ ኦፐረሽን፡ 17 ዕጡቓት ሸኔ ክማረኹ ኸለዉ 49 ድማ ምትሓዞም ንኮሚሽን ፖሊስ ኦሮሚያ ብምጥቃስ ሓደ ቴሌቭዥን'ቲ ዞባ ሓቢሩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%8C%89%E1%8C%82-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A6%E1%8A%90%E1%8C%8D-%E1%88%B8%E1%8A%94-%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8B%A8%E1%8C%8B%E1%8C%A5%E1%88%9E%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/6423566.html"} {"headline":"'ተስፋ ሃውስ' ብቋንቋ ትግርኛ ኣገልግሎት ሕክምና ስነ-ኣእምሮ ኣብ ኣመሪካ ዝህብ ክሊኒክ","content":"'ተስፋ ሃውስ' ዝተባህለ ናይ ስነ-ኣእምሮ ክሊኒክ ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ ብቋንቋ ትግርኛ ናይ ስነ-ኣእምሮ ሕክምና ኣገልግሎት ዝህብ ክሊኒክ እዩ። እዚ ክሊኒክ ጎኒ ጎኒ ዝህቦ ናይ ስነ ኣእምሮ ሕክምና: ኣገልግሎትን ምኽሪን ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ንምዕባይ'ውን ይሰርሕ'ዩ። ብተወሳኺ'ውን ሕብረተሰብ ኣብ ናይ ስነ-ኣእምሮ ጥዕና ኣፍልጦ ምስ ረኸበ ሓገዝ ዝረኽበሉ መስርሕን ዝረኣዩ ብድሆታት ኣብ ምቕራፍ'ውን ከምዝስርሕ መስራቲ'ቲ ክሊኒክ ዶ\/ር ያቆብ ተኪኤ ይሕብር። ብዛዕባ ኣመሰራርታን ዕላማን 'ተስፋ ሃውስ' ከምኡ እውን መጻኢ መደባት ብዝምልከት ንዶ\/ር ያቆብ ተኪኤ ኣዘራሪብናዮ ኣለና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%88%B5%E1%8D%8B-%E1%88%83%E1%8B%8D%E1%88%B5-%E1%89%A5%E1%89%8B%E1%8A%95%E1%89%8B-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AD%E1%8A%9B-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%8A%93-%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%8A%A3%E1%8A%A5%E1%88%9D%E1%88%AE-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8B%9D%E1%88%85%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8A%E1%8A%92%E1%8A%AD\/6422953.html"} {"headline":"'ኣብ ኢትዮጵያ ዝተናውሐ ድርቂ ስድራታት ናብ ጠርዚ ይድፍኦም ኣሎ' ዩኒሴፍ","content":"አብ ኢትዮጵያ ክልላት ዓፋር፣ ኦሮምያን ህዝቢታት ደቡብን፣ ንሰለስተ ዓመታት ኣከታቲሉ ወሪዱ ዘሎ ዝተናወሐ ደርቂ ንህይወት ሰባትን ጥሪታትን ኣብ ሓደጋ ከምዘውደቆ፣ ትካል ህጻናት ሕ\/ሃ (ዩኒሴፍ) ኣፍሊጡ። ሎም ዘበን ጥራሕ ልዕሊ 6.8 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባዪ ህጹጽ ረድኤት ኮይኑ ከምዘሎ’ውን ሓቢሩ። ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ዝናብ ብዘይምውቅዑ ጎዳጉዲ ማይ ነቒፆም፣እንስሳት ሞይተን፣ዘርእቲ ደሪቖም፣ኣማእቲ ኣሽሓት ቆልዑን ስድርኦምን ናብ ጠርዚ ይድፍኡ ኣለው። ክሳብ መፋርቕ መጋቢት 2022 ኣ\\ፈ ልዕሊ 6.8 ሚሊዮን ሰባት ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮም ዩኒሴፍ ተንቢዩ ኣሎ። ኣብ ሚያዚያ ዝናብ እንተድኣ ዘይወቒዑ ነገራት እናኸፍአ ክኸይድ እዩ ክብል ወሲኹ ኣጠንቂቑ ኣሎ። ካብ ኣዲስ ኣበባ መግለፂ ዝሃቡ ኣብ ኢትዮጵያ ወኪል UNICEF ጊያንፍራንኮ ሮቲግሊያኖ ፅልዋ ሕፅረት ምግብን ማይን ርኡይ እዩ ኢሎም።ብፍላይ ድማ ኣዚየን ኣብዝተሃሰያ ክልተ ክልላት ሶማሌን ኦሮሚያን ኢሎም። ‘’ድሮ ኣብዘን ክልላት ህፁፅ ሓጋዝ ምግቢ ዘድልዮም ኣስታት 220,000 ብሕፅረት ኣመጋግባ ዝተጠቕዑ ቆልዑን ልዕሊ 100,000 ነፍሰ ፁራትን ዘጥቡዋን ኣዴታትን ኣለውና’’ኢሎም ሮቲግሊያኖ። ‘’መጠን ሕሱም ሕፅረት ኣመጋግባ20 ምእታዊ እዩ።እዚ ብደረጃ ዓለም ካብዘሎ ዝለዓለ እዩ።15 ምእታዊ እዩ ዝግመት’’ኢሎም ብምውሳኽ። ዩኒሴፍ ኣብዚ ዓመት ኣብ ኣርባዕተ ክልላት 850 ሽሕ ቆልዑ ብሰንኪ ግጭት፣ድርቂን ትሑት ቁጠባን ብከቢድ ሕፅረት ኣመጋግባ ክጥቁዑ እዮም ኢሉ።ሮቲግሊያኖ ብሕፅረት ኣመጋግባ ዝጥቅዑ ቆልዑ ብቕልጡፍ ዝኣትውሉን ዝግባእ ክንክርን ዝረኽቡሎምን ማእኸላት ብህፁፅ ክመሓየሹ ኣለዎም ኢሎም። ኣብ ክልላት ሶማሌን ኦሮሚያን ልዕሊ 155,000 ቆልዑ ንስድርኦምን ጥሪቶምን ማይ ከምፅኡ ካብ ትምህርቶምከምዝቦኸሩ ዩኒሴፍ ገሊፁ ኣሎ።ካብ ትምህርቲ ዝቦኸሩ ቆልዑ ንምዝመዛ ዝተቓልዑ እዮም እውን ኢሉ። እቲ ናይ ህፃናት ትካል ኣብ ኣርባዕተ ቆላታት ክልላት ኣብቶም ዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ሰባት ህይወት ኣድሕን ምግቢ ንምቕራብ ኣስታት 32 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ምፅንታ ኣቕሪቡ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%93%E1%8B%8D%E1%88%90-%E1%8B%B5%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%88%B5%E1%8B%B5%E1%88%AB%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8C%A0%E1%88%AD%E1%8B%9A-%E1%8B%AD%E1%8B%B5%E1%8D%8D%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%88%B4%E1%8D%8D-\/6421969.html"} {"headline":"መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 737 ማክስ ነፈርቲ ናብ በረራ ከምዝመልሰን ኣፍሊጡ","content":"መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ነተን 737 ማክስ ዝዓይነተን ነፈርቲ ካብ ሎሚ ሰሉስ ጀሚሩ ናብ በረራ ከምዝመልሰን ኣፍሊጡ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዘጋጠመ ንህይወት 157 ሰባት ዘጥፈአ ሓደጋ: ን737 ማክስ ነፈርቲ ካብ በረራ አጊዱ ምጽንሑ ይፍለጥ። እቲ መገዲ ኣየር ሎሚ ብመሰረት ዝዘርገሖ መግለጺ፣ ናብ’ዚ ውሳነ ዝበቅዐ፣ ኣብ ኣመሪካ፣ ኣውሮጳን እስያን ድሕሪ ዝተካየደ ደቂቅን ጽዑቅን ምርመራን መረጋገጺን ከምዝኾነ ጠቂሱ። ኩለን 737 ማክስ ነፈርቲ ብደረጃ ዓለም ቅድሚሰለስተ ዓመት ካብ በረራ ከምዝተኣገዳ ዝዝከር እዩ። ኣብ ጥቃ ቢሸፍቱ ዝወደቐት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 737 ማክስ ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ 189 ተሳፈርቲ ምሟቶምን፣ ተመሳሳሊ ሓደጋ ኣብ ኢንዶኔሽያ’ውን ኣጋጢሙ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%A8%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-737-%E1%88%9B%E1%8A%AD%E1%88%B5-%E1%8A%90%E1%8D%88%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%88%AB-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B0%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6422188.html"} {"headline":"ኣመሓዳሪ ክልል ጋምቤላ ናብ ደቡብ ሱዳን ምኻዶም ተሓቢሩ","content":"ኣመሓዳሪ ክልል ጋምቤላ አቶ ኡሞድ ኡጁሉ፣ ናብ ደቡብ ሱዳን ከምዝተበገሱ ተፈሊጡ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፕረስ’ቲ ክልል ኣቶ ኡጌቱ ኦዲንግ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ዕላማ መገሻ እቶም ኣመሓዳሪ፣ ካብ ደቡብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ እናሰገሩ፣ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ዕጡቃት ሙርሌ ኣመልኪቶም ንምዝርራብ ከምዝኾነ ሓቢሩ። ኡሞድ ኡጁሉ ምስ ሰበ ስልጣን ደቡብ ሱዳንን፣ ማሕበረ ሰባት ሙርሌ ከምዝራኸቡ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%B3%E1%88%AA-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8C%8B%E1%88%9D%E1%89%A4%E1%88%8B-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8A%BB%E1%8B%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6422203.html"} {"headline":"ኦቻ ብሰንኪ ሕጽረት ቀረባት ኣብ ክልል ትግራይ ዝካይዶ ወፍሪ ከቋርጾ ከምዝግደድ ኣፍሊጡ","content":"ቤት ጽሕፈት ህጹጽ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት(ኦቻ) \"ብሰንኪ ሕጽረት ቀረባት፣ ኣብ ክልል ትግራይ ይቅጽለሉ ዝነበረ ወፍሪ ንከቋርጾ ከምዝግደድ\" ገሊጹ። ካብ መፋርቅ ታሕሳስ ጀሚሩ ብሰንኪ ውግእ ረድኤት ናብ’ቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ሚልዮናት ተጋሩ ንምብጻሕ ኣይተካኣለን ዝበለ ወሃቢ ቃል ኦቻ የንስ ለርክ ሕቡራት ሃገራትን ውልቀ ትካላትን፣ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲን ገንዘብን ዝኣምሰሉ ቀረባት፣ ስራሕቶም ዛጊት ተወሲኑ ከምዘሎ ምግላጾም ዝዝከር እዩ። \"ኣብ ባይታ ይነጥፉ ዘለው ኣዋሃሃድቲ፣ ስራሕቶም ክሳብ መወዳእታ ለካቲት ከብቅዕ ከምዝኽእል ይዛረቡ ኣለው። ቀረባት ዝተማለአ መግቢን ንኣዝዮም ጉድለት ኣመጋግባ ዘለዎም ይዋሃብ ዝነበረ መግቢ ዛጊት ተጸንቂቁ እዩ።\" ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብወገኑ፣ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዕድሚኦም ካብ ዝኾኑ ቆልዑ ትግራይ እቶም 13 ሚእታዊት፣ ፍርቂ ነብሰ ጾር ደቂ ኣንስትዮን ዘጥቡባን፣ ጉድለት መግቢ ከምዘጋጠሞምን፣ እዚ ኩነታት’ዚ፣ ንሓደጋ ሕማምን ሞትን ከቓልዕ ከምዝኽእልን እቲ ዜና ይሕብር። ቀረብ ነዳዲ ኣብ ትግራይ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝተጸንቀቀ ዝጠቅስ ወሃቢ ቃል ኦቻ፣ ሰራሕተኛታት ረድኤት ብእግሮም እናተጓዓዙ ይሕግዙ ከምዝጀመሩ ኣፍሊጡ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ፣ ኣብ ክልል ዓፋር ድማ ናብ ኣስታት 380 ሽሕ ህዝቢ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራሕ ከምዝተባጽሐን እቲ ወሃቢ ቃል ገሊጹ ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A6%E1%89%BB-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%88%95%E1%8C%BD%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%88%A8%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6-%E1%8B%88%E1%8D%8D%E1%88%AA-%E1%8A%A8%E1%89%8B%E1%88%AD%E1%8C%BE-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8C%8D%E1%8B%B0%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6420247.html"} {"headline":"ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዓይኒ ወሃቢት ቃል ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኣብያተ-ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR)፥ ትካል ተመለስቲን ስደተኛታትን ዓርርዓ ወይ ድማ በዚ ሓድሽ መጸውዒኡ ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስቲን ብምዕጻዉ ብዙሓት ኤርትራውያን ንኸቢድ ጸገም ተቓሊዖም ኣለዉ። ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ፡ ንወሃቢት ቃል ትካል ስደተኛታት ሕ\/ሃ ጨንፈር ምብራቕ ኣፍሪቃ ሚስ ፈይዝ ካሲና ኣዘራሪብናያ ኣሎና። ሕቶ፡ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሕልፊ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ጸገም ከም ዘለዉ ኣመልኪቱ ነይሩ። ከምቲ መግለጺ፡ ኩሉ ወገናት እናኸፍአ ይመጽእ ደኣ ይሃሉ’ምበር፡ ብሕልፊ ኣብ መዳይ ጥዕናን ቀረባትን ግን ኣመና ኣሻቓሊ ምህላዉ ሓቢሩ ኣሎ። ልዕሊ 20 ስደተኛታት ምማቶም’ውን ጠቒሱ ኣሎ’ሞ ብዛዕባ’ዚ ቁሩብ ከተብርህለይ፧ መልሲ፡ ካብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ሰሙናት እናገደድ ክመጽእ ዝጸንሐ ምንቍልቋል ቀረባት መድሃኒት ኣብቶም ስደተኛታት ኣሎ። እዚ ከኣ ብቐንዱ ብስእነት መድሃኒትን ቀረብ ሕክምና’ዩ። ገለ ካብቶም ኣብቲ ክልል ዝነበሩ ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ብሰንኪ ሕጽረት ቀረባት መድሃኒት፡ ምሉእ ብምሉእ ካብ ጥሪ ጀሚሮም ተዓጽዮም ኣለዉ። ድርኺት ሞት ዝዀኑ በበይኖም ምኽንያታት ክጥቀሱ ዝኽእሉ ደኣ ይዅኑ እምበር፡ ገሊኣቶም ብሰንኪ ስእነት መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ኢዮም። ካልእ ምኽንያት ድማ ብሰንኪ ስእነት መግቢ’ዩ። ኣብቲ ሃገርን ክልልን ብሰንኪ ዘሎ ሕጽረት መግቢ፡ ብዙሓት ንጥሜትን ዓጸቦን ተሳጢሖም ኣለዉ። ሕቶ፡ እቶም ዝሞቱ ዕስራ ዝዀኑ ስደተኛታት መን ምዃኖም ወይ ኣበይናይ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ምዃኖም ሓበሬታ ኣሎኪ’ዶ፧ መልሲ፡ ብዛዕባ ዝርዝር ምዉታት ሓበሬታ የብለይን። ዛጊት በጺሑኒ ዘሎ ሓበሬታ ብሰንኪ’ዚ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩልኪ ምኽንያታት ክንድኡ ዝኣኽሉ ስደተኛታት ምማቶም ጥራይ’ዩ። ሕቶ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ ግዜ ናብ መዓስከራት ስደተኛታት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ከም ዝበጽሑ ሓቢሩ ነይሩ’ሞ፡ ሓፈሻዊ ኩነታት ስደተኛታት ኣብዘን ክልተ መዓስከራት እንታይ ይመስል፧ መልሲ፡ ከም ዝፍለጥ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት፡ ካብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ ኣትሒዙ፡ ናብ መዓስከራት ዓዲ-ሓሩሽን ማይ-ዓይኒን ክበጽሕ ኣይከኣለን። እዚ ከኣ ቀንዲ ብሰንኪ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝነበረ ደብዳብ ነፈርቲ’ዩ። ኣብቲ ክንበጽሓሉ ዝኸኣልና እዋን ዝተዓዘብናዮ ግን ስደተኛታት ንምንባር ዘሕልፉዎ ከቢድ ቃልሲ ኢና ተዓዚብና። ኣብ ምሉእ’ቲ ክልል ሕጽረት ነዳዲ ኣሎ፡ እዚ ከኣ ብዝያዳ ነቶም ኣብ መዓስከራት ዝርከቡ ስደተኛታት ንተበጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ዓጽዩዎም። ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ’ውን ጽሩይ ማይ ንምቕራብ ኣይተኻእለን። እቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ባህርያውያን መዕቆሪ ማያት’ውን እናተወድኡ ይመጹ ብምህላዎም ነቶም ስደተኛታት መሊሱ ንዝበርትዐ ጸገም የሳጥሖም ኣሎ። መግቢ ናብ ክልል ትግራይ ክኣቱ ስለ ዘይክኣለ ከኣ ናብቶም ስደተኛታት ንምብጻሕ’ውን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኰይኑ። ሕቶ፡ ኮሚሽን ስደተኛታት ንጸገም ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምፍታሕ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወይ ምምሕዳር ክልል ርክብ ይገብር ኣሎ ዲዩ፧ መልሲ፡ እወ። ርክብ ጸኒሑናን ቀጻሊ’ውን ኣብ ምድፋእን ንርከብ። ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ንጉዳዮም እኹል ኣቓልቦ ክህቦ ደጋጊምና ነዘኻኽር ኢና። እዚ ግን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኰነስ ምስ ኵላቶም ኣካላት ሲቪላውያን ህዝቢን ስደተኛታትን ውሑሳት ክዀኑ ርክብ ንገብር ኢና። ካብ ባይታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ’ውን ብቐጻሊ ነቶም ዝምልከቶም ኣካላት ሓበሬታ ንህብ ኢና። ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ በበይኖም ኣካላት’ውን ንዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ዕድል ክኸፍቱ’ውን ቀጻሊ ድፍኢት ንገብር ኢና። ሕቶ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ክልል ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ዝገዓዙ ስደተኛታት ነይሮም። ብዛዕበኦም ዘሎ ሓድሽ ምዕባለ ክትሕብርና እንተ ትኽእሊ፧ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝነበረ ኲናት’ከ ከመይ ጸልዩዎም፧ መልሲ:ዝሓሸን ውሑስን ቦታ ክረኽበሎም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርርብ ኢና ኔርና። እዞም ስደተኛታት ኣብ ክልል ኣምሓራ’ዮም ዘለዉ። ካብ ዝሓለፉ ቀረባ ሰሙናት ኣትሒዙ ከኣ ብሕልፊ ኣብቲ ክልል እቲ ኲናት ብተዛማዲ ክዝሕል’ዩ ጸኒሑ። ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሰሙን ድማ 636 ስደተኛታት ናብ ዳባት ግዒዞም ኣለዉ። ሕጂ ከኣ ኣብ ግዜያዊ መጻንሒ ቦታታት ተዓቚቦም ኣለዉ። እዚ ግን ክሳብ ግቡእ መጣየሲ ቦታታት ዝመዓረየሎም’ዩ። ንሱ ክሳብ ዝኸውን ግን ቤት ጽሕፈትና ነቶም ስደተኛታት ዘድሊ መሰረታዊ ቀረባት ከም ጀሪካናት፡ መንጸፍ፡ መጸራረዪ ወዘተ ይህብ ኣሎ። እቶም ኣብ ደባት ዘለዉ ስደተኛታት ኣብ መዳይ ውሕስነት ካብቶም ኣብ ትግራይ ዘለዉ ይሕሹ። እንተዀነ ብዛዕባ ኵላቶም ዘድሊ ሓገዝን ውሕስነትን ክግበረሎም ካብ ምጥባቕ ኣየዕረፍናን። ነዚ ንምግባር ድማ ምቍራጽ ተጻብኦታት ክፍጸምን ሰብኣዊ ተበጻሕነት ክግበርን ኢና እንላቦ። እንተዀነ እዚ ሽግራት ብዝበኣሰ መጠን፡ ሽግር ስደተኛታት እናዓበየ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ። ሕቶ፡ ክሳብ ሕጂ ናብ ደባት ግዒዞም ዘለዉ ስደተኛታት ክንደይ ይበጽሑ፧ መልሲ፡ ክሳብ ሕጂ 636 ስደተኛታት ናብ ደባት ግዒዞም ኣብቲ ናይ ህጹጽ እዋን መጽንሒ እንብሎ ተዓቚቦም ኣለዉ። ሕቶ፡ እቲ ኣሃዝ ውሑድ’ዩ’ሞ እዛ ብሰንኪ’ቲ ዘሎ ኲናት ንምግዓዞም ስለ ዘጸገመ ድዩ ወይስ እቶም ስደተኛታት ኣብ ትግራይ ክጸንሑ ስለ ዝመረጹ’ዮም፧ መልሲ፡ ከምቲ ዝጠቕስክዮ፡ ነቶም ስደተኛታት ብውሑስ መንገዲ ካብ ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ንምግዓዞም ኣጸጋሚ’ዩ። ብኸምኡ ምኽንያት ከኣ ኢና ነቶም ኣብቲ ውግእ ኢድ ዘለዎም ኣካላት፡ ደጋጊምና ውሕስነት ክፈጥሩ ንጽውዕ ዘሎና። ሕቶ፡ ዝምድና ዓርርዓን ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ከመይ’ዩ፧ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኤርትራውያን ካብ ኵሉ መሰረታዊ መሰላት ተሓሪሞም’ዮም ዘለዉ። ከም ስደተኛታት ኣይረኣዩን’ዮም፡ ናይ ነባርነት መሰልን ወረቐትን ድማ የብሎምን። ብዛዕባ’ዚ ምስ ዓርርዓ ተዘራሪብኩም ትፈልጡ’ዶ፧ መልሲ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዓርርዓ ቅርጹን ስሙን ቀዪሩ ኣሎ። ሕጂ ኣካል ስደተኛታትን ተመላለስቲን ዝብል ስም ሒዙ ኣሎ። ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከኣ ምስ’ዚ ትካል ብቐረባ ክሰርሕ ጸኒሑን ኣሎን። ሓደ ካብኡ ንኣብነት ብዛዕባ ኣብ ምግዓዝ እዞም ናብ ደባት ዝተቐየሩ ስደተኛታት’ዩ። ዝምድናን ምስኣቶም ኣዝዩ ጽቡቕ’ዩ። ሕቶ፡ እዚ ትካል ሕጂ ስደተኛታት ይምዝግብ ኣሎ ድዩ፧ ሕጂ ከመይ’ዩ ዝሰርሕ ዘሎ፧ መልሲ፡ ኣብ መንጎ ወርሓት ነሓሰን ሕዳርን ዝሓለፈ ዓመት ዓርርዓን እዚ ሕጂ ኣካል ስደተኛታትን ተመላለስቲን ዝብሃል ዘሎ ትካልን ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትንን ልዕሊ 22 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት መዝጊቡን ኣጻርዩን። እዚኣቶም ገሊኦም ኣብ ከም በዓል ሽመልባን ካልኦት መዓስከራት ስደተኛታትን ካልእን ዝጸንሑ ኮይኖም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገዓዙ’ዮም። ኣብ ጥቓ ምዝዛም እዛ ዝሓለፈት ዓመት መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣዊጁ ነይሩ። ምስኡ ተተሓሒዙ ድማ ሓድሽ ወረቐት ምሃብ ደው ኣቢሉ። እዚ ከኣ ንብዙሕ ጸልዩ’ዩ። ንኣብነት ገለ መዝገብ ዝደልዩ ስደተኛታት ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ግን ምስቶም ዝምልከቶም ኣካላት ብቐጻሊ እናተራኸበ እቲ ኣገልግሎት ዝምለሰሉ መገዲ ኣብ ምንዳይን እቶም ብሕልፊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ስደተኛታት ውሕስነት ዝረኽቡሉ መገዲን ኣብ ምንዳይ ይርከብ። ሕቶ፡ እቲ ካብ ኣዲስ እንረኽቦ ዘሎና ሓበሬታ፡ ኣስታት 200 ሽሕ ኤርትራውያን ከምኡ ድማ ኣስታት 2000 ዝኾኑ ኤርትራውያን ድማ ካብ ጥሪ 2020 ኣትሒዞም ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓቱ ከም ዘለዉ’ዩ። ብዛዕባ’ዚ ኣሃዝ’ዚ ትፈልጥዮ ኣሎ’ዶ፧ መልሲ፡ ብዛዕባኡ ኣይሰምዕኩን። ዝሰምዕኩዎ ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ ምሳናን ካልእን ተሓባቢሩን ግቡእ ምጽራይ ገይሩን ብዛዕባ ዝህቦ መለልዪ ወረቐት ስደተኛታት’ዩ። ብኸምዚ 22 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተጻርዮም ተመዝጊቦም’ዮም። ዳሕራይ ግን ምስ ምእዋጅ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን እቲ መስርሕ ደው ኢሉ። ሕቶ፡ ዓርርዓ እዚ ሕጂ ኣካል ስደተኛታትን ተመላለስቲንዝብሃል ዘሎ ትካል ከምኡ’ውን ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ካብ ሕዳር 26፡ 2021 ጀሚሮም ብዘይ ዝኾነ ምልክትን መጠንቀቕታን ቤት ጽሕፈቶም ከም ዝዓጸዉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዉ ስደተኛታት ይዛረቡ። ብዛዕባ’ዚ እንታይ ትብል፧ መልሲ፡ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩዎ ኣብቲ እዋን’ቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ኣዊጁ። ምስቲ ኣዋጅ ተተሓሒዙ ድማ ዝዀነ መዛግብቲን ምስክር ወረቐትን ምሃብ ደው ኣቢሉ። ስለዚ እዚ እምበኣር ምስኡ ዝተኣሳሰር’ዩ። ሕጂ ግን እቲ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ’ውን ተላዒሉ ኣሎ። ትካልና ድማ ምስ መንግስቲ ብምትሕብባር ኣብ ቀረባ እዋናት፡ ነቲ ስራሕ ክጅምሮ ተስፋ እገብር። ሕቶ፡ ብሰንኪ’ዚ ዕጽዋ፡ ብዙሓት ስደተኛታት ቪዛኦም ክሓርር፡ ወረቐት መርዓን ካልእ ኣገዳሲ መዝገብን ክስእኑ፡ በረራታቶም ክሰጋገርን ካልእን ከማርሩ ይስምዑ ኣለዉ። ስለዚ እዚ ኩሉ ብሰንኪ’ቲ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ድዩ ነይሩ፧ መልሲ፡ እወ። ከምኡ ኢልና ኢና እንኣምን። ምስ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ተተሓሒዙ ዝመጸ ጸገም ከም ምዃኑ መጠን ንሱ ምስ ተላዕለ ክመሓየሽ ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ሕቶ፡ እሞ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ነቶም ከምዚ ዓይነት ምድንጓያት ዘጓነፎም እንታይ ክሕግዞም ይኽእል፧ መልሲ፡ ቀንዲ ስራሕና ነቶም ግቡእ ወረቐት ዘይሓዙ ስደተኛታት እቲ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ምስ ተላዕለ ቀልጢፎም ዝምዝገቡሉ መገዲ ምርግጋጽ’ዩ። ምስቶም ካልኦት ኣካላት ኴንና ድማ ከመይ ተወሳኺ ኣገልግሎት ከም እንህብ ክንሰርሕ ኢና። ሕቶ፡ ስለዚ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን በዚ ናይ ሓደጋ ኣዋጅ’ዩ ኢዱ ተታሒዙ ዘሎ ዲኺ ትብልኒ ዘለኺ፧ መልሲ፡ ኣብ ምምዝግባን ምጽራይን ተራ ከም ዘለዎ’የ ዝገልጽ ዘለኹ። ንብዙሓት ካብ ስራሓት’ውን ጸልዩና ኢዩ። ንኣብነት ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ ምብጻሕ ጸልዩና’ዩ። ሕቶ፡ እዚ ጸገም ቀልጢፉ ዝፍታሕ’ዶ ይመስለኪ፧ መልሲ፡ እዚ ሕቶ’ዚ ነቶም ሰብ መዚ’ዩ ዝምልከት። ንሕና’ውን ምስኣቶም ብምትሕብባር ኢና ንሰርሕ። ስለዚ እዚ ሕቶ ናብኣቶም ክቐንዕ ይምረጽ። የመስግነኪ ፈይዝ ካሲና ካብ ናይሮቢ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%93%E1%8B%AD%E1%8A%92-%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A2%E1%89%B5-%E1%89%83%E1%88%8D-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%89%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%89%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83\/6417337.html"} {"headline":"ንሸሞንተ ኣዋርሕ ደሞዞም ዘይተኸፍሉ መምሃራን ዩኒቨርስታት ትግራይ ድምጾም የስምዑ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ መምሃራንን ሰራሕተኛታትን ኣርባዕተ ዩኒቨርስታት ንዝሓለፈ ሸሞንተ ኣዋርሕ ደሞዞም ኣይተኸፍሎምን። እዚ ምስ ስእነት መሰረታዊ ቀረባት ኣብቲ ክልል ተወሲኹዎ ነቶም መምሃራን፡ ስድራቤቶምን ከይዲ ትምህርቲን ብኸቢድ ጸልዩ ኣሎ። ብዛዕባ’ዚ ነቶም ማሕበር ዝመሰረቱ ተወከልቲ ዩኒቨርስቲ ኣዘራሪብናዮም ኣለና ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%88%B8%E1%88%9E%E1%8A%95%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%8B%B0%E1%88%9E%E1%8B%9E%E1%88%9D-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%8D%8D%E1%88%89-%E1%88%98%E1%88%9D%E1%88%83%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%89%A8%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BE%E1%88%9D-%E1%8B%A8%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%8B%91\/6417269.html"} {"headline":"ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ንኻልኣይ ግዜ ቀረባት ሕክምና ብነፋሪት ናብ ክልል ትግራይ ከምዘእተወ ኣፍሊጡ","content":"ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ንኻልኣይ ግዜ ቀረባት ሕክምና ብነፋሪት ናብ ክልል ትግራይ ከምዘእተወ ኣፍሊጡ። ካብ ወርሒ መስከረም ንድሓር ተቛሪጹ ዝጸንሐ በረራ ቀረባት ሕክምና፡ ረቡዕን ሓሙስን መቐለ ከምዝእተወ ኣብ ኢትዮጵያ ወሃቢት ቃል ቀይሕ መስቀል ፋጢማ ሳካር ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢራ። እቲ ምቁራጽ ብሰንኪ ሕጽረት ጸጥታን ዋሕድን ምንባሩ`ውን ጠቒሳ`ላ። ትማሊ ሓሙስ`ውን ነቲ ጽዕነት ዝሓዘት ካልአይቲ ነፋሪት መቐለ ምእታዋ ዝገለጸት ወሃቢት ቃል ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን`ውን ድጋፍ ይገብር ምህላዉ ኣፍሊጣ`ላ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%85%E1%8C%89%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%88%95-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%89%80%E1%88%8D-%E1%8A%95%E1%8A%BB%E1%88%8D%E1%8A%A3%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%8B%9C-%E1%89%80%E1%88%A8%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%8A%93-%E1%89%A5%E1%8A%90%E1%8D%8B%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8A%A5%E1%89%B0%E1%8B%88-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6416845.html"} {"headline":"'ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ልዕሊ 9 ሚልዮን ተጸበይቲ ሓገዝ ኣለዉ' ፕሮግራም መግቢ ዓለም","content":"ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ ፕሮግራም መግቢ ዓለም (WFP) ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣስታት 40% ካብ ህዝቢ ትግራይ ብኸቢድ ስእነት መግቢ ክጥቃዕ እንከሎ፡ ኣብቲ ውግእ ዝተኻየደሉ ሰለስተ ክልላት ሰሜን ኢትዮጵያ ብድምሩ ልዕሊ ትሽዓት ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮም ኣመልኪቱ። ከም መግለጺ እቲ ውድብ፡ እቲ ኣስታት 15 ኣዋርሕ የሕሊፉ ዘሎ ውግእ ካብ ዝጅምር እዚ ኣሃዝ እቲ ዝለዓለ ምዃኑ’ዩ። እቲ ትካል ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝገበሮ ዳህሳስ 83% ካብቲ ህዝቢ ሕጽረት መግቢ ከም ዘጓነፎ ጠቒሱ። መብዛሕትኦም ስድራቤታት ከዚኖሞ ዝጸንሑ ቀረባት’ውን ይውዳእ ምህላዉ ድማ እቲ ጥሜት ክጋደድ ምዃኑ እቲ መጽናዕቲ ይእምት። እቲ መጽናዕቲ ወሲኹ፡ 13% ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድመኦም ቈልዑ ብሕጽረት ዝተመጣጠነ መግቢ ክሳቐዩ እንከለዉ፡ ኣስታት ፍርቂ ኣጥበውቲ ኣደታት’ውን ብተመሳስሊ ሕጽረት መግቢ ዝሳቐያ ምዃነን ይጠቅስ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ብተመሳሳሊ ብሰንኪ’ቲ ኲናት 14 ሚእታዊት ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት ብሰንኪ ሕጽረት ዝተመጣጠነ መግቢ ክጥቅዑ እንከለዉ፡ ሓደ ሲሶ ናይ ዘጥብዋ ኣደታት’ውን በቲ ጸገም ዝተጠቕዓ’የን። ኣብ ክልል ዓፋር እቲ ናይ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ኣሃዝ 15 ሚእታዊት ኢዩ። ካብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘየሎ ዘመልከተ ጸብጻብ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ኣብ ዝመጽእ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ኣብታ ሃገር ብሓፈሻ ንኣስታት 12 ሚልዮን ዜጋታት ንምሕጋዝ፡ 337 ሚልዮን ዶላር ገንዘብ ከም ዘድሊ ሓቢሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-9-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8C%B8%E1%89%A0%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%89-%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D\/6416853.html"} {"headline":"ኣመሪካ: ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ዝስማዕ ዘሎ ሓድሽ ግጭት ከምዘተሓሳሰባ ገሊጻ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ዳግም ዝስማዕ ዘሎ ግጭት ዘተሓሳስብ`ዩ ክብል ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ ኣፍሊጡ። ብዛዕባ `ቲ ኩነታት ሕቶ ምስ ቀረበሉ መልሲ ዝሃበ ኔድ ፕራይስ፡ እቲ ግጭት ንቐረብ ሰብኣዊ ረድኤት ስለዘተዓናቕፍ ኩሉ መጥቃዕትታት ደው ክብል ኢና ንጽውዕ ኢሉ። ግጭት ደው ኣቢልካ ብልዝብ ምፍታሕን ብኹሎም ወገናት ዝተፈጸሙ ገበናት ሰብኣዊ መሰላት ምምርማርን ምርጫና`ዩ ዝበለ ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣስዒቡ ቤት ምኽሪ ሚንስትራት ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ጥሪ 16 ዝወሰዶ ንኣዋጅ ህጹጽ እዋን ናይ ምልዓል ውሳነ ብሓጎስ ተቒቢልናዮ ኣለና፡ ፓርላማ`ታ ሃገር ከጽድቖ`ውን ተስፋ ንገብር ኢሉ ። መንግስቲ፡ ብምኽንያት ህጹጽ ኣዋጅ ዝተኣሰሩ ኩሎም ክፈትሕ ንጽውዕ ዝበለ ኔድ ፕራይስ፡ ክልተ ዲፕሎማት ኣመሪካ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዕዉት ዘተ ምክያዶም ብምጥቃስ ኣመሪካንልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ዘለዋ ድጋፍ`ውን ኣዘካኺሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%88%B5%E1%88%9B%E1%8B%95-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%B3%E1%88%B0%E1%89%A3-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BB\/6416876.html"} {"headline":"ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ኣብ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ዓወት ይጎናጸፍ","content":"ዋሽንግተን — ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ስጳኛ ዝተኻየደ 'ማሎክራ ቻለንጅ' ዝፍለጥ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ትሮፍዮ ኣልሱድያ ቐዳማይ ብምዃን ተዓዊቱ። ናይ 2021 ዓለምለኸ ሻምፕዮን ትሕቲ 23 ዓመት ቢንያም ግርማይ ኣብቲ ውድድር ንመወዳድርቲ ብገፊሕ ብምቕዳም ንጋንትኡ ፈላማይ ዓወት ዓመተ 2022 ምምዝጋቡ ጋንትኡ ኢንተርማርሸ ዋንቲ ጎበርት ኣብ መርበብ ሓበሬታኣ ዘስፈረቶ ጽሑፍ ሓቢሩ'ሎ። ቢንያም ነዚ ናይዚ ዓመት ውድድር ብከምዚ ዝበለ ዓወት ምጅማሩን ናይ ዓለም ዓበይቲ ተወዳደርቲ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ቐዲሙ ብምዕዋቱ ዝተሰምዖ ሓጎስ ብምግላጽ ንኩሎም አባላት ጋንትኡ ምምስጋንኡ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ገሊጹ። እቲ ውድድ ር 173.2 ኪ.ሜ ዝሸፈነ ምንባሩ'ውን ተፈሊጡ'ሎ። ኤርትራዊ ቢንያም በርሀ ምስ ቤልጂማዊት ጋንታ ኢንተርማሸ ዋንቲ ጎበርት ተሰሊፉ ይወዳደር ። ዊንታ ኪዳነ wkidane@voanews.com ጥለብ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%89%B0%E1%89%90%E1%8B%B3%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%89%A2%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%88%9D-%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%88%80-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%8B%B5%E1%88%AD-%E1%8B%93%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8C%8E%E1%8A%93%E1%8C%B8%E1%8D%8D\/6416837.html"} {"headline":"ኣመሪካ ብኮቫክስ ኣቢላ ልዕሊ ሓደ ሚልየንን ፈረቓን ዶዛት ክታበት ፋይዘር ንኢትዮጵያ ሂባ","content":"ኣመሪካ ብኮቫክስ ኣቢላ ንኢትዮጵያ ልዕሊ ሓደ ሚልየንን ፈረቓን ዶዛት ክታበት ፋይዘር ከምዝሃበታ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ። ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ቦሌ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ዝበፅሐ ነብስወከፉ 840,060 ዶዛት ክታበት ዝሓዘ ፅዕነት ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 17 ሓምለ 2021 ዝተዋህበ ሓገዝ ብሓፈሻ ብህዝቢ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ዝተዋህበ ናብ 6.1 ሚልየን ኣብፂሑዎ`ሎ፡እዩ እዚ ድማ ብጥንቃቀ ፣ ፍትሓዊን ብዘይገለ ምብኻናትን ይባፅሕ ምህላዉ ነቲ ቀንዲ ህይወት ናይምድሓን ዕላማና ዘዐውት እዩ ክብል ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ጠቒሱ`ሎ። እቲ መግለጺ ፅርየቱ ዝሓለወን ውፅኢታዊን ዝኾነ ክታበት ጥራሕ እዩ ዕድመ እዚ ለበዳ ነሕፅረሉ መሳርሒ ፡ ብሙኳኑ ኣሜሪካ 1.1 ቢልየን ክታበታት ኮቪድ19 ብምግዛእ ንዓለም ንምሕጋዝ ቃል ዝኣተወት ክትከውን ከላ ዛጊድ ድማ 365 ሚልየን ክታበታት ንልዕሊ 110 ሃገራት ኣባፂሓ ትርኸብ ይብል ። እቲ ሎሚ ዝተፈነወ መግለፂ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ እዞም ክታበታት ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን ማእከል ምክልካልን ምቁጽጻርን ሕማማት ኣፍሪቃ ብሙዃን በቲ ዘሎ ሎጂስቲካዊ መንገዲ ኣቢሉ ብኮቫክስ ተበግሶ ኣብታ ኣህጉር ምብፃሕናን ንምትሕብባር ክንቅፅል ኢና ኢሉ ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%89%A5%E1%8A%AE%E1%89%AB%E1%8A%AD%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A2%E1%88%8B-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%A8%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8D%88%E1%88%A8%E1%89%93%E1%8A%95-%E1%8B%B6%E1%8B%9B%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%89%B3%E1%89%A0%E1%89%B5-%E1%8D%8B%E1%8B%AD%E1%8B%98%E1%88%AD-%E1%8A%95%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%82%E1%89%A3-\/6417073.html"} {"headline":"“ምእንቲ ውጹዓት ምጥባቕ ኣማራጺ ዘይኰነስ ግዴታ’ያ” ቨሮኖካ ኣልመዶም","content":"ቨሮኒካ ኣልመዶም ኣብዚ ወርሒ’ዚ ካብ ዝተረቝሑ 36 መንእሰያት ኤውሮጳ ትካል መሪሕነት ኦማባ ሓንቲ’ያ። ቨሮኒካ ኣብ ፈደራላዊ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ኣባል ኮሚሽን ጉዳያት ስደተኛታት’ውን ኢያ። ብዛዕባ ብትካል መሪሕነት ኦባማ ዝተገብረ ምርጫን ካልእ ስራሓታን ኣዘራሪብናያ ኣሎና ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%89%B2-%E1%8B%8D%E1%8C%B9%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8C%A5%E1%89%A3%E1%89%95-%E1%8A%A3%E1%88%9B%E1%88%AB%E1%8C%BA-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8A%B0%E1%8A%90%E1%88%B5-%E1%8C%8D%E1%8B%B4%E1%89%B3-%E1%8B%AB-%E1%89%A8%E1%88%AE%E1%8A%96%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%88%98%E1%8B%B6%E1%88%9D\/6415653.html"} {"headline":"ግብጺ፡ ንኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ብዘይድሌቶም ናብ ሃገሮም ብምስጓጓ ህዩማን ራይትስ ዎች ኮኒኑ","content":"እቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝመደበሩ ዓለምለኸ ትካል ተሓላቒ መሰላት፡ ነቶም ብ24ታሕሳስ፡ ጉዳዮም ከይተሰምዐ ናብ ኤርትራ ዝተሰጐጕ፡ ቆልዓ-ሰበይቲ ዝርከቡዎ 24 ዜጋታት ምኽንያት’ዩ ነቲ መግለጺ ኣውጺኡ። ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ(ኤኤፍፒ) ንሓላፊ እቲ ትካል ኣብ ጉዳያት ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ብምጥቃስ ከም ዝጸብጸቦ፡ “ናብ ኤርትራ ምምላሶም ንማእሰርቲን ካልእ ከበድቲ መቕጻዕቲን ዘቓልዕ’ዩ” ክብል ገሊጹዎ። ወሲኹ ከኣ እቲ መግለጺ ግብጺ ንኸምኡ ዓይነት ምስጓግ ደው ከተብሎ ጸዊዑ። ብመሰረት ጸብጻብ ተሓላቒ ትካል ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ኤርትራዊያን ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ትሕቲ ሕሱም ኣተሓሕዛን ስእነት መሰረታዊ ቀረባትን ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ግብጺ ይሳቐዩ ኣለዉን ጸኒሖምን። ከም ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣስታት 21ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ግብጺ ዝርከቡ ኰይኖም፡ ብዝሒ ዘይምዝጉባት ስደተኛታት ንምፍላጥ ግን ኣይተኻእለን። ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ መራሒ እታ ሃገር ዓብደል-ፈታሕ ኣልሲሲ፡ ነቶም ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ኣስታት ሽዱሽተ ሚልዮን ዜጋታት ካልእ ሃገር ከም ስደተኛታት ዘይኰኑስ ኣካል’ቲ ሕብረተሰብ ከም ዝርእዩዎም ሓቢሩ ኣሎ። እንተዀነ ግብጺ ብተደጋጋሚ ንኤርትራያን ሓተትቲ ዑቕባ፡ ጉዳዮም ከየጻረይትን ብግቡእ ከይመርመርትን ናብ ኤርትራ ከተባርር ብምጽናሓ ኣደዳ ከቢድ ነቕፌታ ክትከውን ጸኒሓ። ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ግብጺ ብዘይ ግቡእ ፍርዲ ንሸሞንተን ዓሰርተ ዓመታት ተኣሲሮም ንኤርትራ ክስጉጎግ ዝቀራረቡ ዝነበሩ ኣለም ተስፋይን ክብሮም ኣድሓኖምን ዝተባህሉ ዜጋታት ኤርትራ፡ ድሕሪ ከቢድ ህዝባዊ ተቓውሞ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ማእሰርቲ ተላቒቖም ንካናዳ ተጣይሶም ምህላዎም ይዝከር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%8C%BA-%E1%8A%95%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%93%E1%89%B0%E1%89%B5%E1%89%B2-%E1%8B%91%E1%89%95%E1%89%A3-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8B%B5%E1%88%8C%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8C%93%E1%8C%93-%E1%88%85%E1%8B%A9%E1%88%9B%E1%8A%95-%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B5%E1%88%B5-%E1%8B%8E%E1%89%BD-%E1%8A%90%E1%89%92%E1%8D%89\/6415215.html"} {"headline":"ኣመሪካ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ናብ ንቡር ክምለስ ድልየታ ምግላጻ ተሓቢሩ","content":"ኣመሪካ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሓ ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ናብ ዝነበሮ ንክምለስ ድልየታ ከምዝኾነ ምግላጻ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ወሃቢ ቃል’ቲ ሚኒስትሪ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎሚ ሓሙስ ክዛረቡ ከለው ሓድሽ ፍሉይ ልዑኽ ኣመሪካ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝነበሮም መገሻ፣ መብርሂ ብምሃብ \"ፍሉይ ልዑኽ ዴቪድ ሳተርፊልድ፣ ኣብ ትሕቲ ምጥርጣር ወዲቁ ዝነበረ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት፣ ናብ ንቡር ንምምላስ ዕላማ ዝገበረ’ዩ\" ኢሎም። እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፣ ትማሊ ወግዓዊ ዝተገብረ ሹመት ኣምባሳደራት፣ ሞያ ዲፕሎማሲ መሰረት ዝገበረን ቁጠባ ወጻኢ ኣብ ግምት ዘእተወን እዩ ከምዝበሉ፣ ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ፣ ምስ ሓይልታት ትግራይ ንምዝርራብ ቅሩብ ከምዝኾኑ ገሊጾም ንዝብል ሪፖርት ኣሶሴትድ ፕረስ ከምዝነጸግዎ ተሓቢሩ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%89%B4%E1%8C%82%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%89%A1%E1%88%AD-%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%88%88%E1%88%B5-%E1%8B%B5%E1%88%8D%E1%8B%A8%E1%89%B3-%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%88%8B%E1%8C%BB-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6415285.html"} {"headline":"ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዋጃን አላማጣን ፈጺሞምዎ ብዝተባህለ መጥቓዕቲ ሕጽረት መግቢ ምግጣሙ ተሓቢሩ","content":"ካብ ዋጃን አላማጣን ብሰንኪ ሓይልታት ትግራይ ዝፍጽምዎ ዝተባህለ መጥቓዕቲ ኣብ መዓስከር ቆቦ ዝሰፈሩ ሰባት፣ ከቢድ ሕጽረት መግቢን አልባሳትን ከምዘጋጠሞም ገሊጾም። ኣማሓዳሪ ቀበሌ ዋጃን ጥሙጋን ኣቶ ያሬድ አድማሱ ብወገኖም ሓይልታት ትግራይ ብሰንኪ ፈጺሞምዎ ዝበልዎ መጥቃዕቲ ብዝሒ ዝተፈናቀሉ ሰባት፣ ልዕሊ 12 ሽሕ ከምዝኾኑ ጠቂሶም። ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ዓፋርን ብመንግስቲ ኤርትራ ዝድገፍ ዝበሎ ‘ሓይሊ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ’ ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ መጥቓዕቲ ከምዝኸፈቱ ከምዝሓበረ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ፣ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዋጃን ጥሙጋን ኣውሪዶምዎ ዝተባሃለ መጥቓዕቲ ኣማእኪሉ ክልል ትግራይ ዝሃቦ መግለጺ ዛጊት የለን ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8B%E1%8C%83%E1%8A%95-%E1%8A%A0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%9E%E1%88%9D%E1%8B%8E-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%88%95%E1%8C%BD%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%8C%A3%E1%88%99-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6415288.html"} {"headline":"ቤት ምኽሪ ሚንስተራት ኢትዮጵያ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ተነቢሩ ዝነበረ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ንኽልዓል ኣሚሙ","content":"ቤት ምኽሪ ሚንስተራት ኢትዮጵያ ኣብቲ ኩናት ኣብ ቀረባ ዝተራእየ ሓዲሽ ምዕባለታት ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ተነቢሩ ዝነበረ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ከልዕሎ ኣሚሙ። እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ክሳብ ጎረባብቲ ክልላት ዝለሓኾ ኩናት ናብ ኣዲስ ኣበባ ገጹ ምስ ከደ እቲ ህጹጽ ኣዋጅ ዝተኣወጀ ክኸውን ከሎ፡ ድሓር ግን ብጸቕጢ ብድሮን ዝተደገፈ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ትግራይ ተመሊሶም`ዮም ይብል ጸብጻብ ኣሶሸይትድ ፕረስ። ሕጂ እቲ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ሕዳር ዝወጸ ኣዋጅ ንክልዓል ዝቕረበ እማመ ንክጸድቕ ናብ ፓርላማ`ታ ሃገር ተመሪሑ`ሎ። በቲ ሕጊ ህጹጽ ኣዋጅ፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ተወላዶ ብሄር ትግራይ ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክገልጹ ጸኒሖም`ዮም። እቲ ዜና ብተወሳኺ እቲ ኩናት መልክዑ ምስ ቀየረ ግን ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ተጋሩ ተፈቲሖም`ዮም ይብል። እቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን እንተተላዒሉ፡ ካብቲ ዝተባህሎ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሰለስተ ወርሒ ቀዲሙ`ዩ ዝለዓል ዘሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%BD%E1%8B%B1%E1%88%BD%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%89%B0%E1%8A%90%E1%89%A2%E1%88%A9-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%8C%85-%E1%88%85%E1%8C%B9%E1%8C%BD-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%8B%92%E1%88%8D%E1%8B%8E\/6413555.html"} {"headline":"ኢትዮጵያውያን ነባሮ ሰሜን ኣመሪካ መስርሕ ሰላም ትስፍው ኣሎ ይብሉ","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስ ኮሚተ ዲያስፖራ ማለት ህዝባዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ድሕሪ ዝገበሮ ዕጹው፡ ንሓሙሽተ ሰዓታት ዝወሰደ ርክብ፡ ምስ ህወሓት ንዘተ ቅሩባት ምዃኖም ምግላጹ ንኣቦ-መንበር እቲ ኮሚተ ብምጥቃስ ኣሶሽትድ ፕረስ ጸብጺቡ። ኣቶ መስፍን ተገኑ ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ከም ዝሓበሮ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ንክብሪ ሃገርን ውሕስነት ዜጋታትን ዘቐድም ልዝብ ምስ መራሕቲ ህወሓት ክገብሩ ድሉዋት ምዃኖም ከም ዝገለጸሎም ኣመልኪቱ`ሎ። ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ይዅን ወሃብ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ርእይቶ ንምሃብ ኣይተረኽቡን። ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ደቪድ ሳተርፊልድ’ውን ብኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ተሓቲቱ ምላሽ ኣይሃበን። ዝሓለፈ ሰሙን ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብ 'ዘ ኣፍሪካ ሪፖርት' ከም ዘስፈሮ፡ “ዝዀነ መስርሕ ሰላምን ዝርርብ ብኣስመራ ክጅምር ኣለዎ” ኢሉ ነይሩ። እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ተዋጋእቲ ትግራይ ንዓፋር ገጾም ገስጊሶም ቦታታት ከም ዝሓዙ ትማሊ ኣብ ዝገለጹሉን ምክትል ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ኣበባው ታደሰ ንውሽጢ ትግራይ ኣትዮም ንህወሓት ከየጥፍኡ ከም ዘይዓርፉ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ መራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ ድሕሪ ምግልጹን’ዩ። እቲ ኮሚተ ዳሕራይ ብትዊተር ካልእ መራኸቢታትን ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ግን ኣቶ መስፍን ከምኡ ከም ዘይበሉን እቲ ኣሶሴይትድ ፕረስ ዝቐረበ ጥቕሲ ድማ ዘንቢዑ ከምዝተፈነወ ኣመልኪቱ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%90%E1%89%A3%E1%88%AE-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%89%B5%E1%88%B5%E1%8D%8D%E1%8B%8D-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%89\/6413579.html"} {"headline":"ኣህጉራዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ህይወት ኣድሕን ቀረባት መድሓኒት ብነፋሪት መቐለ ትግራይ ኣእትዩ","content":"ኣህጉራዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ህይወት ኣድሕን ቀረባት መድሓኒት ብነፋሪት መቐለ ትግራይ ኣእትዩ። እዚ ድሕሪ ወርሒ መስከረም ንመጀመርያ ምዃኑ ተገሊጹ`ሎ። እቲ ህጹጽ ቀረባት መቐለ ክኣቱ ዝኸኣለ ብምትሕብባር ሰበ-ስልጣን ምዃኑ ዝገለጸ ኣህጉራዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል፡ ናብ ትካላት ጥዕና ከምዝከፋፈል'ውን ኣፍሊጡ`ሎ። ኣተሓባባሪ ጥዕና ኣህጉራዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣፖሎ ባራሳ ብዛዕብኡ ክገልጽ ከሎ፡ \"እዚ ጽዕነት`ዚ ኣብተን ሆስፒታላት ምብጽሑ ዓቢይ እፎይታ`ዩ፡ እዚ ሓገዝ`ዚ ንኣሸሓት ሰባት ናይ ህይወት ጉዳይ`ዩ፣ ስለዚ እዚ መድሃኒታት ምብጽሑ ኣዝዩ ኣገዳሲ`ዩ ኔሩ\" ኢሉ። ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ወይ ሰሙናት ድማ ካልእ ናይ ረድኤት በረራታት ከወሃህድ ኣህጉራዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ምምዳቡ ወሲኹ ይሕብር። ብተመሳሳሊ ኩነታት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ቀረባት ሕክምና ምብጽሑ ከምዝቕጽል ኣፍሊጡ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%85%E1%8C%89%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B4-%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%88%95-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%89%80%E1%88%8D-%E1%88%85%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%8A%95-%E1%89%80%E1%88%A8%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%93%E1%8A%92%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8A%90%E1%8D%8B%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%8A%A5%E1%89%B5%E1%8B%A9\/6413613.html"} {"headline":"ተሳትፎ ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ኲናት ኢትዮጵያ ብኽልተ መነጽር","content":"ንተራ ኤርትራ ኣብ ኲናት ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኣምባሳድር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ካብ ብራስለስ በልጂምን ፕሮፈሰር ዓወት ተወልደ ወልደሚካኤል ካብ ኪንግስተን ካናዳን’ዮም ኣዘራሪብና ኣሎና። ኣምባሳድር ዓንደብርሃን ኣብ በበይኖም መንግስታዊ መዝነት ከምእኒ ፕረዚደንት ዩኒቨርስቲ ኣስመራ፡ ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ኤርትራ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መወዳእታ ኣምባሳድር ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝነበረ ክኸውን እንከሎ፡ ፕሮፈሰር ዓወት ተወልደ ወልደሚካኤል ድማ መምህርን ተመራማሪን ታሪኽ ኣብ ኲንስ ዩኒቨርስቲ ካናዳ ኢዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል። No media source currently available No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%88%B3%E1%89%B5%E1%8D%8E-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8D%E1%88%BD%E1%8C%A3%E1%8B%8A-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8A%BD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%B8%E1%88%AD\/6412190.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ንካልኣይ ምርጫ ዳይሬክተር ውዱብ ጥዕና ዓለም ትቓወም: ቦርድ'ቲ ውድብ ግን ድጋፉ ይገልጽ","content":"ላዕለዋይ ቦርድ ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ነቲ ንዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ\/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝነቅፍ መደረ ከቅርብ ዝፈተነ ልዑኽ ኢትዮጵያ ኣቋሪጹ: ተግባር’ቶም ዳይሬክተር ንክምርመር ብኢትዮጵያ ዝቐረበ ጥርዓን ድማ ኣወንዚፍዎ። እቲ ምስሕሓብ ናብ’ዚ ደረጃ’ዚ ዝበጽሐ፣ ቦርድ ውድብ ጥዕና ዓለም ተኣኪቡ፣ ንሕጸ ዳግማይ ምርጫ ዶ\/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ዝገምገመሉ እዋን እዩ። ኣቦ መንበር ቦርድ ውድብ ጥዕና ዓለም ፓትሪክ ኣሞጽ \"ዶ\/ር ቴድሮስ ነቶም ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዋግኡ ዘለው ሓይልታት ይድግፉ’ለው\" ዝብል ጥርዓን ኢትዮጵያ ከምዘወንዘፍዎ ዝመጸ ዜና ሓቢሩ። ኣብ’ቲ 34 ኣባላት ዝሓቆፈ ቦርድ፣ ብዘይካ ኢትዮጵያ፣ ንግብረ መልሲ ኣቦ መንበር’ቲ ቦርድ ዝተቃወመ ኣይነበረን። ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ዘነበ ከበደ ኮርቾ \"ንዶ\/ር ቴድሮስ ንምንቃፍ ቪድዮ ክጥቀሙ ፈቲኖም ክልተ ጊዜ ኣቋሪጾምዎም። ኣብ መወዳእትኡ ዓጽዮምዎም።\" ኣምባሳደር ዘነበ ቅድሚ መደረኦም ምቁራጹ \"ዶ\/ር ቴድሮስ፣ ስልጣኖም፣ ኣብ ክንዲ ረብሓ ኢትዮጵያ ንውልቀ ፖለቲካዊ ድልየቶም ይጥቀሙሉ ኣለው\" ኢሎም ነይሮም። ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ንክኾኑ ደገፍ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ዶ\/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፣ ኣብ’ዚ ወርሒ’ዚ፣ ረድኤት ናብ ትግራይ ይኣቱ የለን ከምዝበሉ፣ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብወገኑ \"ዶ\/ር ቴድሮስ መደናገሪ ሓበሬታ ይፍንው ኣለው\" ኢሉ ከምዝተቃወሞም ዝዝከር እዩ። ላዕለዋይ ቦርድ ውድብ ጥዕና ዓለም ድሕሪ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ዶ\/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንካልኣይ ጊዜዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኮይኖም ንከገልግሉን ኣብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ዝመጽእ ግንቦት ንክውሰን ተሰማሚዑ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A3%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8B%B3%E1%8B%AD%E1%88%AC%E1%8A%AD%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8B%8D%E1%8B%B1%E1%89%A5-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%89%B5%E1%89%93%E1%8B%88%E1%88%9D-%E1%89%A6%E1%88%AD%E1%8B%B5-%E1%89%B2-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%8C%8D%E1%8A%95-%E1%8B%B5%E1%8C%8B%E1%8D%89-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%BD\/6411892.html"} {"headline":"ኣብ ኣብዓላ ክልል ዓፋር ብሰንኪ ግጭት ቁጽሪ ተመዛበልቲ ይውስኽ ምህላው ተሓቢሩ","content":"\"ሓይልታት ትግራይ፣ ብሰንኪ ኣብ ኣብዓላ ዓፋር ኣሓዪሎም ኣብ ዝቀጸልሉ መጥቓዕቲ፣ ብዝሒ ካብ መነባብርኦም ዝፈናቀሉ ሰባት ይውስኽ ከምዘሎ\" ንንድምጺ ኣመሪካ ርእይትኦም ዝሃቡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ገሊጾም። ተፈናቀልቲ ሒዘን ይንቀሳቀሳ ኣብ ልዕሊ ዝነበራ ሰለስተ መካይን፣ ሓይልታት ትግራይ ብዝፈነውዎ ዝተባሃለ መጥቃዕቲ፣ ሞትን መቁሰልቲን ከምዝወረደ’ውን እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ሓቢሮም። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ ናብ ክልል ትግራይ የምራሓ ዝነበራ 27 መካይን ፕሮግራም መግቢ ዓለም፣ ንከይኣትዋ ገይሩ ኢሎም ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ወቂሶም። ብዛዕባ እቲ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዓፋር ፈንዮምዎ ዝተባሃለ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ግና ዝሃብዎ ርእይቶ ዛጊት የለን ይብል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%93%E1%88%8B-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%8B%AD%E1%8B%8D%E1%88%B5%E1%8A%BD-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6411932.html"} {"headline":"ኣብ ምብራቓ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ541  ማእኸልዎትን ቀለልትን ኢንዱስትሪታት ጉድኣት ወሪዱ ተባሂሉ","content":"ሓይልታት ህወሓት ኣትዮም ዘረፋን ዕንወትን ኣውሪዶም ኣብ ዝተብሃልሉ ከባቢታት ምብራቓዊ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 541 ማእኸልዎትን ቀለልትን ኢንዱስትሪታት ጉድኣት ከምዝወረዶም ቢሮ ኢንቨስትመንት ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ። ትማሊ ኣብ ከተማ ደሴ ኣብ ንብረቶም ጉድኣት ዝወረዶም ሰብ ሃፍቲ ኣገልግሎት ወሃቢት ትካላትን ሰብ ብፅሒት ኣካላትን ብሓባር ኣብ ዘካየድዎ ናይ ምኽክር መድረኽ ርእሰ ኣማሓዳሪ ናይቲ ክልል ዶክተር ይልቃል ከፋለ ኣብ ዘመሓለለፉዎ መልእኽቲ ዝዓነው ንብረታት መሊስካ ናይ ምትካእ ከይኮነስ ካብ ዝነበረ ብዝበለፀ ክቕፅል ንምጋብር መንግስታዊ ኣንፈት ከምዝተቐመጠ ገሊፆም። ምንስቴር ምንስትሪ ኢንዱስቱሪ መላኩ ኣለበል ብወገኖም ጉድኣት ዝወረዶም ትካላት መሊስካ ንምጥያሽ መፅናዕትታት እናተኻየዱ እዮም ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6410498.html"} {"headline":"ፈይስቡክ ኣብ ቅልውላው ስደተኛታት ቤላሩስ ተራ ዝተጻወታ ገጻት ይዓጹ","content":"እተን ዝተዓጽዋ ናይ ፈይስቡክ ገጻት ሓንቲ ብኩርዳዊ ኣባል ሓጋጊ ኣካል እትመሓደር ልዕሊ 140-ሽሕ ሰዓብቲ ዝነበራ ክትከውን እንከላ፡ እታ ካልኣይቲ ድማ ብኻልእ ኩርዳዊ ጋዜጠኛ እትእለ ኣስታት 270-ሽሕ ተኸተልቲ ዘለዋ ገጽ’ያ። እዘን ዝተዓጽዋ ገጻት ፈይስቡክ፡ ኩርዳውያን ናብ ዶባት ቤላሩስን ፖላንድስ ምስ ዝኸዱ፡ ናብ ኤውሮጳ ብናጻ ክኣትዉ ምዃኖም ዝነግር ጽሑፍ የእንግዳ ምንባረን ይሕበር። ነቲ ሓበሬታ ሰሚዖም ናብቲ ዶባት ዝኸዱ ኩርዳውያን ግን ኣደዳ ምክልባት ምዃኖም ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። “ነቲ ናይ ፈይስቡክ ሓበሬታ ሰሚዑ ናብ ዶባት ፖላንድ ምስ ዝኸይድ ብዝሒ ስደተኛታት ነቒለ። ብዘይካ ሓሳረ-መከራ ግን ዛጊት ዝረኸብኩዎ የብለይን፡” ይብል ሓደ ካብቶም ግዳያት ሀርሽ ስዒድ ኣሕመድ። እቶም ክልተ ገጻ ኣዝዩ ብዙሕ ተነባብነት ዘለዎ ጽሑፋት ምሕታም ቀጺለን። ዳሕራይ ትካል ሜታ ብጋዜጠኛታት ድምጺ ኣመሪካ ተሓቲቱ ግን ነተን ገጻት ክዓጽወን ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ። እዚ ፍጻመ ሓደ ካብቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት--ዋላ’ውን በቶም ህዝባዊ ሓላፍነት ዘለዎም ኣካላት--ንዝፍኖ ዝንቡዕ ወረታት ንምቍጽጻር ከም ዝጽገማ ዘርኢ ኣብነት’ዩ። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ዝጀመረ ቅልውላው ስደተኛታት ቡላሩስን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኣብ ወርሒ ሕዳር ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ዓሪጉ። ንዋሕዚ ስደተኛታት ሰሜን ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ዒራቓውያን-ኩርዳውያን ምቍጽጻር ዝተጸገመ ሓለዋ ዶባት ፖላንድ ብተዅሲን ዘንብዕ ጋዝን’ዩ ክመልስ ፈቲኑ። ኣብ እዋኑ፡ ፈይስቡክ፡ ኣብ ንግዲ ደቂ-ሰባት ተራ ኣለወን ዝበለን ገጻ ክዓጹ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ካብቶም ጌጋ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ንብዙሕ ሰዓቢኦም ግዳይ ዝገበሩ፡ ኣባላ ዞባዊ ፓርላማ ኩርዲስታን ዝዀነ ሲርዋን ባባን (Sirwan Baban) ኣብ ግሪኽ ዝመደበሩ ኩርዳዊ ጋዜጠኛ ራንጅ ፕሽዳርይን (Ranj Pshdary) ኢዮም። እቶም ክልተ ዜጋታት ከም ዝጸሓፉዎ፡ ጀርመንን ኤውርጳዊ ሕብረትን ንኩርዳውያን ዜጋታት ማዕጾአን ከፊተን ምህላወንን ንዶብ ቤላሩስ-ፖላንድ ክኸዱ ምምሕጻንን’ዩ ነይሩ። ሰበ-ስልጣን ኤውሮጳ እቲ ሓበሬታ ጌጋ ምዃኑ ኣብ ግዜኦም ደኣ ይሓብሩ እምበር፡ መብዛሕትኦም ኩርዳውያን ዝዀኑ ዜጋታት ግን ኣብ ዶባት ፖላንድ ተጸጊዖም ኣደዳ ከልበትበት ኰይኖም። እቲ ኣብ ፈይስቡክ ዘንበቡዎ ጽሑፍ ሓቂ ስለ ዝመሰሎም’ውን፡ ምስጋር ንዝኣበዩዎ ፖሊስ ፖላንድ ብመጕልሒ ድምጺ ጌሮም፡ “ንጀርመን ከሕልፉዎምን እታ ሃገር ድማ ክትቅበሎም ምዃና ሓበሬታ ከም ዘለዎም” ተዛሪቦም። ካብቶም ኣብ ዶባት ፖላንድ ዝተዓግቱ ኩርዳውያን ብድምጺ ኣመሪካ ተሓቲቶም ኣብ ዝሃቡዎ ምላሽ ነቲ ናይ ፈይስቡክ ጽሑፍ ኣንቢቦም ከም ዝነቐለ ኣመልኪቶም። ኣብ ዶባት ፖላንድ ዝተዓግቱ ዜጋታት ምስ ምምጻእ ዛሕሊን ምውዳቕ በረድን ንዝኸፍአ ሽግራት ከም ዝተሳጥሑ ኣብ እዋኑ ብሰፊሑ ተዘርጊሑ’ዩ። ሉትካ ዝተባህለ ትካል ስደተኛታት ከም ዘመልክቶ፡ ድሒሩ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ኩርዳውያን ናብቲ ዝመጹሉ ኣውራጃ ዒራቕ ከም ዝምለሱ ክግበር እንከሎ፡ ካልኦት ሓደ ሽሕን ሚእቲን ግን ገና ኣብቲ ዶባት ብተስፋ ይጽበዩ ኣለዉ። ፈስይቡክ ንኸምኣቶም ዝኣመሰሉ ጌጋ ሓበሬታ ዝዝርግሑ ገጻት ስጕምቲ ካብ ምውሳድ ከም ዘይቍጠብ ይገልጽ። ኣብ ፈለማ ወርሒ ታሕሳስ’ውን 38 ገጻት፡ ኣብ ቅልውላው ስደተኛታት ተራ ነይሩወን ብዝብል ክሲ ከም ዝዓጸወን ኣፍሊጡ። ገለ ካብተን ዝተዓጽዋ ገጻት ብስለያ ቤላሩስ ዝዝወራ ምንባረን ተፈሊጡ ኣሎ--ከም ሓበሬታ ፈይስቡክ። ኣብዚ ናይ ኩርዳውያን ቅልውላው ዓቢ ተራ ዝተጻወቱ ክልተ ዜጋታት ድሮ ብዙሓት ሰዓብቲ ዝጸንሑዎም’ዮም። ንኣብነት ጋዜጠኛ ክሽዳርይ ኣብ ፈይስቡክ ብቐጥታ ብምቕራብ ነቲ ዓቢ ዜና ዝበሎ ምኽፋት ዶባት ድሕሪ ምንጋሩ፡ ሰዓብቱ ተጠቀምቲ ናይቲ ዕድል ክዀኑ ጎስጒሱ። ኣብ ውሽጢ ሓጺር መዓልታት እቲ ዶባት ናጻ ክኸውን ምዃኑ ድሕሪ ምንጋሩ ድማ ኣሽሓት ኩርዳውያን ኵሉ ገዲፎም ናብ ዶባት ተጓይዮም። እቲ ዜጋ ዳሕራይ ብድምጺ ኣመሪካ ተሓቲቱ ኣብ ዝመለሶ፡ ብጽቡቕ ዕላማን ሰናይ ምንዮትን ከም ዝተበገሰ ነጊሩ። ኣባል ሓጋጊ ኣካል ዝዀነ ሲርዋን ባባን’ውን ብተመሳሳሊ ካብ ውሽጢ ዝረኸቦ ሓበሬታ ኢሉ ኣብ ፈስይቡክ ቀጥታ’ዩ ነቲ ሓበሬታ ዘርጊሑ። እቲ ዝንቡዕ ሓበሬታ ልዕሊ 750-ሽሕ ሰባት ከም ዝተዓዘቡዎ ተፈሊጡ። ንሱ’ውን ነቲ ዝዘግርሖ ጌጋ ሓበሬታ ኣመልኪቱ ብድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝተሓተተሉ፡ እቲ ሓሳብ ኣብ ባይቶ ጀርመን ከም ዝተላዕለ ጥራይ ጠቒሱ። ድሒሩ እቲ በዓል ስልጣን ካብ መዝነቱ ተኣልዩ’ዩ። ክኢላታት ከም ዝጠቕሱዎ፡ ከም በዓል ፈይስቡክ ዝኣመሰላ ዓበይቲ ትካላት በቶም ንኣሽቱ ቋንቋታት ዝዝርግሑ ጽሑፋት እኹል ኣቓልቦ ከም ዘይህቡዎ’ዩ። እቲ ትካል በበእዋኑ ኣብ ምምሕያሽ ከም ዘሎ ደኣ ይገለጽ እምበር፡ ብሕልፊ ተጠቀምቲ ብቐጥታ (ላይቭ) ኣብ ዝፍኑዉሉ እዋን ነቲ ዝንቡዕ ሓበሬታ ንምቍጽጻሩ ተኽእሎ የሎን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6410263.html"} {"headline":"ኣብ ኣስመራ ኣብ ምዕቃብ ባህላዊ ውርሻ ዝተኮረ ዓውደ መጽናዕቲ ተኻይዱ","content":"ብክፍሊ ባህልን ስፖርትን ምምሕዳር ዞባ ማእከል ብዝተወደብ “ኣብ ምዕቃብ ባህላዊ ውርሻ ፡ብውሁድ ምሕደራ“ ዘተኮረ ዓውደ መጽናዕቲ ብ13 ን 14ን ጥሪ,2022 ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ተኻይዱ። ቀንዲ ዕላማ ናይ’ቲ ዓውደ መጽናዕቲ ፡ባህሊ፡ኣገድስነቱን ዕቃቤኡን ኣመጻጽኣ ሕ\/ሰብን፡ ነቲ ረቂቕ ባህላዊ ውርሻን ኣካላዊ ባህላዊ ውርሻን፡መንነትን ክብረትን ሕ\/ሰብ ከይበረስ ብምድህሳስ ናብ ዝቕጽል ወለዶ ንምስግጋርን፡ከምኡ’ውን ኣፍልጦን ንቕሓትን ሕ\/ሰብ ብምዕባይ ዋንነት ተሰሚዕዎ ኣብ ምዕቃቡን ምምዕባሉን መሪሕ ተራ ንኽጻወት ንምድራኽን ከምዝኾነ ኣዳለውቲ ናይ’ቲ ዓውደ መጽናዕቲ ገሊጾም።ባህላዊ ውርሻ መግለጺ መንነትን ሃገርን ስለዝኾነ ኣብ ምዕቃቡ ኣብቲ ዓውዲ ንዝነጥፉ ትካላትን ክኢላታትን ጥራይ ዝግደፍ ዘይኮነስ ንኹሉ ሕ\/ሰብን ኣካላትን ዝምልከት ብምዃኑ ኣብ ውሁድ ኣገባብ ምሕደራ ንኹሉ ብዘሳትፍ መልክዑ ክሳለጥ ከምዘለዎ ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ተሰሚሩሉ። ኣብዚ ንክልተ መዓልታት ዝቕጸለ ዓውደ መጽናዕቲ ፡ባህሊ፡ኣገዳስነቱን ዕቃበኡን፡ረቂቕ ባህላዊ ውርሻ ኤርትራን ኣተዓቓቕብኡን፡ውዕል ዩነስኮ 2003ን ተግባራዊነቱን ኣብ ኤርትራ፡ግደ ኣፋዊ ስነ-ግጥሚ ትግረ ኣብ ሕ\/ሰብ ፡ኣካላዊ ባህላዊ ውርሻን ኣተዓቃቕብኦምን፡ዓለማዊ ውርሻ ኣስመራ፡ መሪሕነትን ምሕደራን ባህላዊ ውርሻ፡ ኣገዳስነት ትካላዊ ባህሊ ዝብሉ ሸሞንተ መጽናዕትታት ብክኢላታትን ምሁራትን ቀሪቦ’ዩም።ኣብ ዝቐረቡ መጽናዕትታ ካብ ተሳተፍቲ ዝቐረቡ ርእይቶታት፡ሕቶታታን ለበዋታትን ዘተ ብምክያድ መብርሂታት ተዋሂቡ። ኣብ’ቲ ዓውደ መጽናዕቲ ሓለፍቲ ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ዞባታት፡ክኢላታት ናይ’ዚ ዓውዲ፡መሃንድሳት፡ስነ-ጥበበኛታት፡ክኢላታት ቋንቋ፡ቱሪዝም፡ባይቶ፡ማሕበራት፡ምምሕዳራት፡ኮለጃት፡ኣካላት ጸጥታን ተማሃሮን ተሳቶፎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%89%83%E1%89%A5-%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%8B%8D%E1%88%AD%E1%88%BB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%AE%E1%88%A8-%E1%8B%93%E1%8B%8D%E1%8B%B0-%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%8A%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/6407368.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ኣባል ኣመራርሓ ማሕበር 'ድሕንነትን ፍትሕን ንተጋሩ' ዶ\/ር ሙሉጌታ ገ\/ሄር","content":"ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ቀጺሉ ዘሎ ምሉእ ዕጽዋ ኩነታት ኣብ ከቢድ ቅልውላው ጥምየትን ጥዕናን ከምዝበጽሐ'ድሕንነትን ፍትሕን ንተጋሩ' ዝተባሃለ ዓለምለኸ ማሕበር ገሊጹ። ብመሰረት'ዚ፣ ምቁራጽ ተጻብኦ ክትግበር፣ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይዓንቀፍቀፍ ናብ ትግራይ ንክኣቱን'ውን ጸዊዑ። ንኣባልን ኣመራርሓን እቲ ማሕበር ዝኾነ ዶ\/ር ሙሉጌታ ገ\/ሄር ኣዘራሪብዮ ኣለና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%AD%E1%88%93%E1%8A%95-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%8A%95%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%95%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%8C%8B%E1%88%A9-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%88%99%E1%88%89%E1%8C%8C%E1%89%B3-%E1%8C%88-%E1%88%84%E1%88%AD\/6407339.html"} {"headline":"ትካል ስደተኛታት ሕ\/ሃ ዘንቆልቁል ዘሎ ኩነታት ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ክልል ትግራይ ከምዘሻቀሎ ገሊጹ","content":"ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት እናንቆልቆለ ይመጽእ ዘሎ ኩነታት መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራዊያን ኣብ ክልል ትግራይ፣ ኣዝዩ ከምዘሻቀሎ ኣፍሊጡ። ድሕሪ ኣብ’ዚ ቀረባ ጥቃ’ቲ መዓስከር ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ፣ ሰራሕተኛታት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ንፈለማ ጊዜ ኣብ ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓርሽን ከምዝኣተው’ውን ወሃቢ ቃል እቲ ትካል ቦሪስ ቼሽሪኮቭ ሓቢሩ። እቲ ትካል ብመሰረት’ቲ ዝቀረበሉ ሪፖርት፣ ስደተኛታት ዝኣክል መግቢ ስለይረኽቡ፣ መድሓኒትን ጽሩይ ዝስተ ማይ ሕጽረትን ስግኣትን ኣንጸላልይዎምን ከምዘሎ ፈሊጥና ይብል። ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ሽዱሽተ ሰሙናት ብሰንኪ ክትቆጻጸሮ ዝካኣል ጠንቂ ልዕሊ 20 ስደተኛታት ከምዝሞቱ፣ ብፍላይ ሕጽረት መድሓኒትን ማእከላት ሕክምናን ተጠቀስቲ ጸገማት ኮይኖም ኣለው። ሕጽረት ነዳዲ ስለዘሎ፣ ጽሩይ ዝስተ ማይ ካብ ጎዳጉዲ ምውጻእ ኣይተካኣለን ወይካኣ ኣግዒዝካ ንምጥቃም ከቢድ ኮይኑ ኣሎ። ቀረባት ፈጺሞም ናብ’ተን መዓስከራት ምእታው ስለዘይተካኣለ፣ ከቢድ ጥምየት ኣንጸላልዩ ከምዘሎ’ውን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ኩሎም ተዋጋእቲ ሓይልታት ተኹሲ ደው ንከብሉን እቶም ልዕሊ 25 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ካልእ መዓስከር ንከግዕዞም መጸዋዕታ ኣቅሪቡ ኣሎ ትካል ስዱዳት ሕ፨ሃ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8B%98%E1%8A%95%E1%89%86%E1%88%8D%E1%89%81%E1%88%8D-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%BB%E1%89%80%E1%88%8E-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6407157.html"} {"headline":"ኣብ ብሪጣንያ ሚ\/ጉ\/ኣፍሪቃ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰላም ዘገበሮ ጻዕሪ ምንኣደን ተገሊጹ","content":"ኣብ ብሪጣንያ ሚኒስትር ጉዳያት ኣፍሪቃ፣ ላቲን ኣሜሪካን ካሪብያንን ቪኪ ፎርድ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንሰላም ዝገበሮ ጻዕሪን፣ ሰራዊቱ ናብ ክልል ትግራይ ንከይኣትው ንዘሕለፎ ውሳነ ከምዝናኣዳ ዝመጸ ዜና ገሊጹ። በዓል ስልጣን ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ትማሊ ሓሙስ ምስ ቪኪ ፎርድ ኣብ ዝነበሮም ርክብ፣ መንግስቲ ሰራዊቱ ናብ ትግራይ ንከይኣትው ምውሳኑ፣ ሃገራዊ መድረኽ ንክፍጠር ምስርሑን፣ ኣብ’ዚ ቀረባ ንእሱራት ምፍትሑን ከምዝናኣዳ፣ ኣብ ማሕበራዊ መሓውራት ዜና ዝዘርግሕዎ ሓበሬታ ገሊጾም። እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ክፍሊ ኣፍሪቃ ሞሊ ፊንን ፍሉይ ልኡኽ ንጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዴቪድ ሳተርፍልድ፣ ንተመሳሳሊ ዕላማ ኣብ አዲስ አበባ ከምዝርከቡ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%A5%E1%88%AA%E1%8C%A3%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8B%98%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%88%AE-%E1%8C%BB%E1%8B%95%E1%88%AA-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%8A%A3%E1%8B%B0%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6407085.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ ኣብ ዝሓለፈ 37 መዓልታት ረድኤት ዝጸዓና መካይን ናብ መቐለ ከምዘይሓለፋ ገሊጹ","content":"ብሰንኪ ኣብ ኣብ ዓላ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፣ ንዝሓለፋ 37 መዓልታት፣ ረድኤት ዝጻዓና መካይን ብሰመራ ኣብ ዓላ መቀለ ኣቢለን ከምዘይሓለፋ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ካብ 2 ነሓሰ ጀሚሩ ድማ፣ ነዳዲ ናብ ትግራይ ንክኣቱ ከምዘይተፈቀደ፣ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝሰርሑ ትካላት ረድኤት ብወገኖም ዝኣክል ነዳዲ ይረኽቡ ከምዘየለው ወሃቢ ቃል ሕ\/ሃ ስተፈን ዩሪክ ጠቂሱ። ብሰንኪ’ዚ ይብል እቲ ወሃቢ ቃል፣ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላት ረድኤትን፣ ምክፍፍል ረድኤት እኽሊ፣ ንምንካይ፣ ንምቁራጽን ናብ ካልእ ጊዜ ንምትሕልላፍን ከምዝተገደዱ ኣፍሊጡ። ካብ 6 ክሳብ 12 ጥሪ ኣብ ዝነበረ ጊዜ 10,500 ሰባት ረድኤት ከምዝተቀበሉ፣ እንተኾነ ልዕሊ 800 ሽሕ ህዝቢ ሰሙናዊ ሓገዝ ዘድልይዎም ከምዝኾኑ ሓቢሩ። ኣብ ምእታው ዝካኣለሎም ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን፣ ሰብኣዊ ረድኤት ወሲኹ ከምዘሎ’ውን ሕ\/ሃ ጠቂሱ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%88%88%E1%8D%88-37-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%A8%E1%8B%B5%E1%8A%A4%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8B%93%E1%8A%93-%E1%88%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%93%E1%88%88%E1%8D%8B-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6407100.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ኣብ ጋምቤላ ካብ ደቡብ ሱዳን ዝኾኑ ዶብ ሰጊሮም ብዝፈጸምዎ መጥቓዕቲ 8 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ጋምቤላ ካብ ደቡብ ሱዳን ዓሌት ሙርሌ ዝኾኑ፣ ዶብ ሰጊሮም ብሰንኪ ዝፈነውዎ መጥቓዕቲ ሸሞንተ ሰባት ከምዝቀተሉን ካልኦት ሓሙሽተ ከምዘቆስሉን ኮምሽነር ኮምሽን ፖሊስ ጋምቤላ ኦቡላ ኦቡንግ ገሊጾም። እቶም ዕጡቃት ዝሓለፈ ቅነ ንክልተ ቆልዑ ከምዝጨወዩን ን71 ጥሪታት ከምዝወሰዱን እቶም ኮምሽነር ፖሊስ ሓቢሮም። ካብ’ቶም ዕጡቃት ይኹን ካብ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ብዛዕባ ተፈጺሙ ዝተባህለ መጥቓዕቲ ዝተዋሃበ ግብረ መልሲ ዛጊት የለን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%8B%E1%88%9D%E1%89%A4%E1%88%8B-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%8A%BE%E1%8A%91-%E1%8B%B6%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%8C%8A%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%9D%E1%8B%8E-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-8-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/6407181.html"} {"headline":"ብሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ቀ\/ኣፍሪቃ ዝምራሕ ጉጅለ ምስ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ተራኺቡ ምዝርራቡ ተገሊጹ","content":"መበል 35 ኣኼባ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብኣካል ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ክካየድ ምኽኣሉ ንኢትዮጵያ ዓብይ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት'ዩ ክብሉ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊጾም። ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ ሰሙናዊ ጋዜጣዊ መግለጺ እቲ ኣኼባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያዱ እቲ ዓብይ መልእኽቲ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም የለን ንዝብል ዘፍርስ ብምኻኑ እዩ ኢሎም። ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ እቲ ኣኼባ ብኣካል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ንፈለማ ግዜ'ዩ። እዚ ኣኼባ ንክካየድ ንምግባር ብዙሕ ዲፕሎማስያዊ ላዕልን ታሕትን ኔርዎ'ዩ እውን ኢሎም። ብኻልእ ዜና ተሓጋጋዚት ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሞሊ ፍንን ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ደቪድ ሳተርፊልድንን ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ተራኺቦም ከም ዝዘራረቡ'ዉን ገሊጾም'ለዉ። ይኹን ደኣ እምበር ግን ምስ መን ከምዝተራኸቡ ኣይገለጹን። ድምጺ ኣመሪካ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ዝረኸቦ ሓበረታ ክልቲኦም ሰበ ስልጣን ኣብቲ ኣብ ቀረባ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ባይደንን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን ዝገበርዎ ናይ ስልኪ ምይይጥ ተመስሪቶም ኣብ መጻኢ ዝግበሩ ስጉምታት ክዘራረቡ'ዮም ኢሉ'ሎ። እቲ ኤምባሲ ኣመሪካ ወሲኹ ንዝተኸፍተ ማዕጾ ሰላም ተጠቂምካ መጥቃዕታት ነፈርቲን ካልኦት ጎንጽታትን ጠጠው ምባል ንምቁራጽ ተጻብኦ ልዝብ ምግባር ንኹሎም እሱራት ፖሎቲካ ምፍታሕ ዘይተቋረጸ ሰብኣዊ ረድኤ ክቅጽል ምግባርን ንኹሉ ሓቆፍ ሃገራዊ ልዝብ መሰረት ምንባርን ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ምስ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ክዘራረቡ እዮም ኢሉ። ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወግዒ ኣብ ዝወጹ መግለጺታት እሱራት ፖሎቲካ ምህላዎም ወይ'ዉን መንግስቲ ኣሸበርቲ ኢሉ ምስ ዝሰየሞም ኣካላት ንምዝርራብ ምውሳኑ ዘርኢ መግለጺ የለን።\\n​","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%8D%8D%E1%88%89%E1%8B%AD-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%89%80-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A1-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%88%AB%E1%89%A1-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6405513.html"} {"headline":"ስእነት ቀረብ መድሃኒት ክልል ትግራይ ዝፈጠሮ ቅልውላው","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ዝሓለፈ ሸውዓተ ኣዋርሕ ቀረብ መድሃኒታት ብዘይ ምእታዉ፡ ህዝቢ ንዝሰፍሐ ሕማምን ሞትን ይቃልዕ ኣሎ። ሓካይም ግዜኡ ዝሓለፈ መድሃኒት ክህቡን መርፍእን ጓንቲን ኣምኪኖምን ሓጺቦምን ዳግም ክጥቀሙ ምግዳዶም’ውን ይገልጹ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B5%E1%8A%A5%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%88%A8%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%83%E1%8A%92%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8D%88%E1%8C%A0%E1%88%AE-%E1%89%85%E1%88%8D%E1%8B%8D%E1%88%8B%E1%8B%8D\/6405599.html"} {"headline":"“መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያ ተስፋ ዘለዎ ይመስል” ዋና ጸሓፉ ሕ\/ሃገራት","content":"ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሰገን ኦብሳንጆ ብቴለፎን ድሕሪ ምዝርራቡ ብኽልተ ወገናት ናይ ሰላም ድሌት ዘሎ ይመስል ኢሉ። ጉተረዝ ነዚ ዝጠቐሰ፡ ኦብሳንጆ ናብ መቐለን ኣዲስ-ኣበባን ምስ ላዕለዎት መራሕቲ ክልተ ወገናት ድሕሪ ዘካየዶ ርክብ’ዩ። እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ሎሚ ዝተዘርግሐ ናይ ጽሑፍ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ምስ ዘሎ ስእነት ጸጥታ፡ ሰብኣዊ ተበጻሕነት ገና ኣጸጋሚ ከም ዘሎ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ንዅላቶም ተጻባእቲ ወገናት ምእንቲ ነባሪ ሰላምን ድሕነት ሰላማዊ ህዝቢን ክሰርሑ ተማሕጺኑ። እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት መሻርኽቲ ኣካላቲን ኵሉ-ሓቆፍ ፖለቲካዊ ዘተ ከም ዝድግፍ ድሕሪ ምምልካት፡ ኵላቶም ኣካላት ነቲ ዘተ ብንጹህ ልቢን ቅሩብነት ክመጹዎ ጸዊዑ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%89-%E1%88%95-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%88%B5%E1%8D%8B-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8E-%E1%8B%AD%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%8D-\/6403529.html"} {"headline":"ኣብ ኦሮምያ ዞባ ሆሮ ጉድሮ ዕጡቓት ብምድጋፍ ተጠርጢሮም ዝትኣስሩ ሰባት ንሰለስተ ኣዋርሕ ናብ ፍርዲ ከምዘይቐረቡ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ወረዳ ኣሙሩ፡ ንዕጡቓት ብምድጋፍ ተጠርጢሮም ዝተኣስሩ ሰባት ንዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ናብ ፍርዲ ከምዘይቀረቡ ኣባላት ቤተሰቦም ገሊጾም። ምኽትል ኣዛዚ ፖሊስ`ቲ ወረዳ ሳጅን ወልተጂ ነሞምሳ፡ ካብ መንጎ`ቶም ዝተጠርጠሩ ልዕሊ 30 ሰባት ናጻ ለቒቕና ኢና፡ ብዛዕባ`ቶም ዘይተፈትሑ ድማ መረዳእታ ኣኪብና ኣይወዳእናን ክብል ምላሽ ሂቡ። እቲ ምኽትል ኣዛዚ ፖሊስ ወረዳ ኣብቲ ወረዳ ዝተኣስራ ክልተ ደቀንስትዮ ሰብኣዊ በደል ከምዝተፈጸመን ንዝተሰምዐ ቅሬታ ድማ ፍጹም ሓሶት`ዩ ዝብል ምላሽ ሂቡ`ሎ። ብዛዕባ`ዚ ካብ መንግስቲ 'ሸኔ ' ክብል ዝጽውዖ ንባዕሉ ድማ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ዕጡቕ ጉጅለ ዝተዋህበ ርእይቶ የለን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%88%86%E1%88%AE-%E1%8C%89%E1%8B%B5%E1%88%AE-%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%8C%8B%E1%8D%8D-%E1%89%B0%E1%8C%A0%E1%88%AD%E1%8C%A2%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B5%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%A9-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%90%E1%88%A8%E1%89%A1-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6403764.html"} {"headline":"ክልተ ዲፕሎማት ኣመሪካ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክበጽሑ'ዮም","content":"ነቲ ኣብ ሱዳን ሲቪላዊ ደሞክራሲያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ዳግም ንምጥያስ ብሕቡራት ሃገራት ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ንምድጋፍ ክልተ ዲፕሎማት ኣመሪካ ኣብዚ ሰሙን`ዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣለዉ። ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ደቪድ ሳተርፊልድን ምኽትል ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሞሊ ፊን፡ ምስ ሓደ ኣብ ሱዳን መሰጋገሪ መንግስቲ ክትከል ዝጽውዕ ጉጅለ ንምርኻብ ናብ ሪያድ ተጓዒዞም ኣለዉ፡። እቲ ዲፕሎማት ኣብ ካርቱም`ውን ምስ ወተሃደራዊ መራሕቲ ሱዳን፡ ምስ ደገፍቲ ደሞክራስን ማሕበራት ደቀንስትዮን ክራኸቡ`ዮም። ዳይሬክተር መጽናዕቲ ኣብ ማእከል ኣፍሪቃ ንስትራተጂያዊ መጽናዕቲ ጆሰፍ ሲግል ኣመሪካ ቅልውላው ሱዳን ብልዝብ ንፍታሕ ኣብ ዝግበር መሰርሕ ዘይትካእ ግደ ኣለዋ ይብል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%8B%B2%E1%8D%95%E1%88%8E%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%89%80%E1%88%AD%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%AD%E1%89%A0%E1%8C%BD%E1%88%91-%E1%8B%AE%E1%88%9D\/6403790.html"} {"headline":"ዘተ: ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ንምፍታሕን ሃገራዊ ዘተ ንምክያድን ተባሂሎም ዝተወስዱ ስጉምቲታት","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልኻል መንግስትን ሓይልታት ትግራይን ክካየድ ዝፀንሐ ኲናት መዓልቦ ናብ ዘምፅእ ደረጃ ንምስጓም ሃገራዊ ዘተ ብዝብል መንግስቲ እሱራት ፖለቲካ ፈቲሐ ምባሉን በቲ ኻልእ ድማ ኣብ ትግራይ ደብዳባት ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ክልከላ ሰብኣዊ ሓገዛትን ቀፂሉ ይርከብ ።እቲ ዝበሃል ዘሎ ዘተ ሰላም ማዕረ ክንደይ ሓቀኛ እዩ? እቶም ተወሲዶም ዝተባህሉ ስጉምትታት'ኸ ማዕረ ክንደይ ነቲ ሰላም ዘግህዱ እዮም? ኣብ ዝብሉ ኣቶ ሓጎስ ወልደኪዳን ኣብ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ጥቁር ኣምበሳ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ካብ ኣዲስ ኣበባ:ኣቶ ኣለማዮህ ፈንታው ወልደማርያም መምህርን ተመራማርን ሕግን ሕገመንግስታዊ ሕግን ካብ ዋሽንግተን ዲሲ እዮም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%88%95%E1%8A%95-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8B%AB%E1%8B%B5%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%82%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B5%E1%8B%B1-%E1%88%B5%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%89%B2%E1%89%B3%E1%89%B5\/6402208.html"} {"headline":"ዳያስፖራዊያን ናብ ትግራይ ገንዘብ ዝልእኽሉ ኣገባብ ከምዘለዋ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣፍሊጣ","content":"ማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ዝኾነ ሰብ ኣብ ትግራይ ናብ ዝነብር ሰብ (ንኤርትራዊያን ስደተኛታት'ውን ወሲኹ) ገንዘብ ንምልኣኽ ዘኽእል ምቅርራባት ፈጺሙ ይትግብር ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ኣፈጻጽማን ኣለኣእኻን ገንዘብ ከመይ ከምዝትግበር ጸሓፊ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣመሪካ ኣቶ ሚካኤል በርሀ መብርሂ ሂቡና ኣሎ። ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ማልት) ኣብ ኣመሪካ ንመኽሰብ ዘይቆመት ትካል ረድኤት ተባሂላ ዝተመዝገበትን ነዛ ማሕበር ገንዘብ ዝልግሱ ኣብ ዓመታዊ ግብሪ ኣካቲቶም ተመላሲ ክኾኖሎም ዝካኣልን ከምዝኾነ’ውን ኣቶ ሚካኤል ጠቂሱ። እንተኾነ ብዙሕ ድያስፖራ ካብ ምሉእ ዓለም ገንዘብ ክሰድድ ኸምዝጸንሐን እታ ማሕበር ምስቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ናይ መራኸቢ ጸገም ነቲ ዝተሰደደ ገንዘብ ብዝድለ ቅልጣፈ ንተጠቃሚ ንምምሕልላፍ ካብ ዝተገመተ ንላዕሊ ነዊሕ ጊዜ ስለዝወሰደላ ዛጊድ ንዝተላእኸ ክሳብ ዝጻፈፍ ሓዱሽ ምቕባል ንዘይተወሰነ ጊዜ ደው ከምዘበለ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣፍሊጡ ኣሎ። ማሕበር ልምዓት ትግራይተወሳኺ ሓበሬታ ምስረኸብና ክንገልጸኩም ኢና ይብል ። ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ መሕትት ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5%E1%8D%96%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8C%88%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%8D%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%88%89-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%89%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8B-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%88%8D%E1%88%9D%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A3\/6400364.html"} {"headline":"ጉባኤ ሕ\/ኣፍሪቃ ኣብ አዲስ አበባ ክካየድ ምውሳኑ ዲፕሎማሲያዊ ረብሓ ከምዘለዎ ተገሊጹ","content":"ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብኣካል ክካየድ ምውሳኑ ካብ ቁጠባ ብዝዘለለ ዲፕሎማሲያዊ ረብሓ ከምዘለዎ ተገሊፁ። እቲ ጉባኤ ኣብ ኢትዮጵያ ምክያዱ ናይታ ሃገር ሰላም ዘንፀባርቕ ከምዝኾነ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ እቲ ጉባኤ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ምውሳኑ ስዒቡ ኣብ ዘውፅእዎ ናይ ፅሑፍ መግለፂ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዘለዋ ፅኑዕ መርገፂ ዝተረድኡ ዝበሉዎም ውሳነ መራሕቲ ኣፍሪቃ ብምሕላፎም ኣመስጊኖም።ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈፀመ ምፍታሕ እሱራት ነዚ ውሳነ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ተዛሪቦም። ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ሕጊ ዝኾኑ ዶክተር መሰንበት ኣሰፋ ድማ ኣዲስ ኣበባ ነቲ ጉባኤ ክተተኣናግድ ምውሳኑ መራሕቲ ኣፍሪቃ ንኢትዮጵያ ብዝሓሸ ከምዝተረድእዋ ዝሕብር እዩ ኢሎም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%89%E1%89%A3%E1%8A%A4-%E1%88%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%91-%E1%8B%B2%E1%8D%95%E1%88%8E%E1%88%9B%E1%88%B2%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%88%A8%E1%89%A5%E1%88%93-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8E-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6400309.html"} {"headline":"ግጭት ኢትዮጵያ ንምፍታሕ ናይ ሰላም ተስፋ'ዶ ይህሊ?","content":"ኣብዚ ኣርእስርቲ እዚ ትንታነ ክህቡና ኣብ ጀርመን ኣብ ዝርከብ ሃምቡርግ ዩኒቨርስቲ ተመራማሪ ድህረ ዶክተርቴ ዝኾነ ዶክተር ሓጎስ ኣብርሃ ካብ ሃምቡርግን ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ዝነበረ ኣርክቴክ ኤርሚያስ ኣማረ ካብ ከተማ ኒው ዮርክን እዮም።ክልቲኦም ንፖለቲካ ናይቲ ዞባ ዝከታተሉን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሪኢቶታቶም ዘካፍሉን እዮም። ናይ ሰላም ተስፋ ይርኣዮም እንተኾይኑ፣ካብ ግጭት ንምውፃእ መፍትሒ ሓሳባት ዝብሉዎም፣ዝርርብ ፕሬዝዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደንን ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድን፣ከምኡ እውን ኣቶ ስብሓት ነጋ ሓዊሱ ምፍታሕ እሱራትን ብዝምልከት ሓሳቦም ኣካፊሎምና ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/two-ethiopian-analysts-are-optimist-the-conflict-in-ethiopia-will-be-resolved-peacfully-as-preasure-on-both-sides-is-mounting\/6397442.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ ስራሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ትግራይ ዕንቅፋታት የጓንፎ ከምዘሎ ይገልጽ","content":"ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ቀጺሉ ዘሎ ውግእ፣ ንብዝሒ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ከምዘንሃሮ ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስተፈን ዩሪክ ኣፍሊጡ። እቲ ኹናት፣ ንተኽእሎ ሰራሕተኛታት ረድኤት ከምዝጸለዎ’ውን ተሓቢሩ። ኣብ ዙርያ ኣብዓላ ዝተካየደ ውግእ፣ ሰራሕተኛታትናረድኤት ናብ ትግራይ ንምእታው ኣጸጋሚ ከምዝገበሮ፣ ካብ 14 ሕዳርንደሓር ረድኤት ናብ ትግራይ ከምዘይኣተወ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር። ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ነዳዲ ዝጻዓና መካይን ናብ ትግራይ ንከይኣትዋ ከምዝተከልከላ’ውን ስተፈን ዩሪክ ጠቂሱ። ረድኤት ዘከፋፍሉ ትካላት ግብረ ሰናይ ዝኣክል ነዳዲ ይረኽቡ የለውን፣ ተወሳኺ ነዳዲ እተዘይረኺቦም ስራሕቶም ኣብ ሓጺር እዋን ጠጠው ንከብልዎ ከምዝግደዱ ኣጠንቂቆም አለው። እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ካብ መጀመርታ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝካየድ ደብዳብ ነፈርቲ ወሲኹ ከምዘሎ፣ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ዘውርዶ ጉድኣት ከምዝናሃረ’ውን ሕ\/ሃ ገሊጹ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%95%E1%8A%95%E1%89%85%E1%8D%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%A8%E1%8C%93%E1%8A%95%E1%8D%8E-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%BD\/6397631.html"} {"headline":"ህወሓት ኣብ ከተማ ኣብዓላ ብዝፈነዎ ሓድሽ መጥቓዕቲ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተፈናቒሎም ክብል ከንቲባ'ታ ከተማ ሓቢሩ","content":"ህወሓት ኣብዚ ቀረባ ብዝፈጸሞ ሓዲሽ መጥቃዕቲ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ ከባብታት ከተማ ዓፋር ዝኾነት ኣብዓላ ተፈናቒሎም ኣለዉ ክብል ከንቲባ ከተማ ኣብዓል ጣሂር ሓሰን ንድምጺ ኣመሪካ ተዛረቡ። ኣቶ ጣሂር ሓሰን ኣተሓሒዙ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ክልል ትግራይ ከይቅጽል ኣብ ዝተኣዘዘሉ እዋን፡ ህወሓት ንመንበሪ ሰላማውያን ሰባት ብኸቢድ ብረት ምድብዳቡ ቀጺሉ`ሎ ብእግረኛ`ውን ይፍትን ኣሎ ግን ኣይክኣለን ተመሊሱ`ሎ ኢሉ። ኣብዓላ ንመተሓላለፊ ረድኤት ኣብ ዘገልግል መስመር ሰመራ፡ኣብዓላ፡መቐለ ትርከብ ክትከውን ከላ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ትማሊ ክሱ፡ ህወሓት ኣብ መስመር መተሓላለፊ ሰብኣዊ ረድኤት ፡መጥቃዕቲ ከፊቱ ኢሉ ኔሩ`ዩ። መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ናብ ትግራይ እንኮ መተሓላለፊት ረድኤት ዝኾነት ኣብዓላ ህወሓት መጥቃዕቲ ምኽፋቱ ኣስደሚሙኒ`ዩ ይብል። ኣብ ክልል ዓፋር ትርከብ ከተማ ኣብዓላ፡ ካብ ከተማ መቐለ ኣብ 40 ኪ.ሜ ርሕቐት ከም ትርከብ ይፍለጥ። ኣብዓላ ክሳብ 50 ሺሕ ዝግመት ተወላዶ ትግራይን ዓፋርን ካልኦትን ዝነብሩላ ናይ ንግዲ ከተማ ምዃና`ውን ኣቐድም ኣቢሎም ዝወጹ ናይ መንግስቲ ቆጸራ ህዝቢ የመልክቱ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%93%E1%88%8B-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%8D%88%E1%8A%90%E1%8B%8E-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%89%A5%E1%8B%93%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%BD%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%91%E1%8C%B8%E1%88%A9-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8A%93%E1%89%92%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%A8%E1%8A%95%E1%89%B2%E1%89%A3-%E1%89%B3-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6397197.html"} {"headline":"ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝህቦ ሓገዝ ናብ ምቑራጽ ገጹ ይኸይድ ምህላው ኣጠንቂቑ","content":"ብምኽንያት ኣብ መተሓላለፊ መስመራት ረድኤት ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ኩናት መግብን ነዳድን ክሓልፍ ስለዘይክኣለ፡ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ህይወት ኣድሕን ረድኤት ናብ ምቁራጽ ገጹ ክኸይድ ከም ዝኽእል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣጠንቂቑ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ኩናት ብምቕጻሉ ካብ ክፍላ ታሕሳስ ጀሚርና መኻይና መቐለ ክኣትዋ ኣይክኣላን ይብል። እቲ ትካል መግብን ንቆልዑን ኣዴታትን ዝኸውን ሃናጺ መግብን ናብ ምጽንቃቕ ገጹ ይኸይድ ስለዘሎ፡ ናይ መጨረሻ ብፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝዕደል እኽሊን ዘይትን ዝመጽእ ሰሙን ክከፋፈል`ዩ ኢሉ'ሎ። ኩሎም ተጻባእቲ ወገናት ኢትዮጵያ፡ ረድኤት ናብ ሰሜናዊ ክፋል ክሓልፍ ሰብኣዊ መተሓላለፊ መስመር ክኸፍቱ እቲ ትካል ብምምሕጻን፡ ኣብ ዳሕራዋይ ዕደላ ረድኤት ትግራይ፡ 20 % ጥራሕ ክንበጽሕ ስለዝኸኣልና ኣብ ገምገም ሰብኣዊ ጥፍኣት ኢና ዘለና ኢሉ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ትግራይ 2.1 ሚልየን፡ ኣብ ኣምሓራ 650 ሽሕ፡ ኣብ ዓፋር ድማ 534 ሽሕ ሰባት ክምግብ መደብ`ኳ እንተለዎ ብሰንኪ ሕጽረት ምደባ ገንዘብ`ውን ካብ ዝመጽእ ወርሒ ጀሚሩ ቀረባቱ ክጽንቀቕ ከምዝኽእል ኣሰሚዑ`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%85%E1%89%A6-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%89%91%E1%88%AB%E1%8C%BD-%E1%8C%88%E1%8C%B9-%E1%8B%AD%E1%8A%B8%E1%8B%AD%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8A%A3%E1%8C%A0%E1%8A%95%E1%89%82%E1%89%91\/6397130.html"} {"headline":"ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሕ\/ሃ ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ኣስታት 108 ሰባት ምሟቶም ኣፍሊጡ","content":"ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ካብ መጀመርያ`ዚ ዓመት ጀሚሩ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብዘካየዶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 108 ሲቪላት ከም ዝተቐተሉ ኣፍሊጡ። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን፡ ብመንግስቲ ክልል ትግራይ ዝውነን መሰልጠኒ ትምህርቲ ተክኒክ፡ ካምፕ ተፈናቐልቲ፡ መጥሓን እኽሊ፡ ናይ ውልቂ ሚኒባስ ከምኡ`ውን ብርክት ዝበሉ ሲቪላዊ ዕላማታት ብነፈርቲ ከምዝተወቕዑ እቲ ቤት ጽሕፈት ጠቒሱ`ሎ። እቲ ዝበዝሑ ሰባት ዝተቐትልሉ ግን። ብ7 ጥሪ 2022 ኣብ ደደቢት ካምፕ ተፈናቐልቲ ዝተፈጸመ ምዃኑ ይዝክር። በዚ ድማ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ንሲቪላት ካብ መጥቃዕቲ ክሕልዉ ወሃቢት ቃል`ቲ ቤት ጽሕፈት ሊዝ ትሮሰል ጸዊዓ`ላ። እታ ወሃቢት ቃል ነዚ መርሆታት ዘይምኽባር ግን ናብ ገበናት ኩናት ዝወስድ`ዩ ትብል ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ`ዚ ክስታት ደብዳብ ነፈርቲ ዝበሎ ነገር የለን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B0-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%89%A5-%E1%8A%90%E1%8D%88%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-108-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6397147.html"} {"headline":"ማሕበር ተራድኦ ኬብሮን መቐለ: ካብቲ ዘየሎ የከናውኑ","content":"ኣብ መቐለ ዝርከቡ ማሕበር መንእሰያት ኬብሮን፡ ምስ ኲናት ትግራይ እናበኣሰ ዝመጸ ስእነት ቀረባት ተጻዊሮም ንጽጉማት ስድራቤት ኣብ ምሕጋዝ ይርከቡ። እዞም ብቐዋምነት 20 ስድራቤታት ዝሕግዙ ዘለዉ ማሕበር፡ ሓያሎ ግብረ-ሰናያዊ ንጥፈታት’ውን የካይዱ’ዮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8B%B5%E1%8A%A6-%E1%8A%AC%E1%89%A5%E1%88%AE%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%AB%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%8B%98%E1%8B%A8%E1%88%8E-%E1%8B%A8%E1%8A%A8%E1%8A%93%E1%8B%8D%E1%8A%91\/6395968.html"} {"headline":"ውዱብ ጥዕና ዓለም ናብ ትግራይ መድሃኒት ክሰድድ ፍቓድ ከምዘይረኸበ ይገልጽ ፥ መንግስቲ ግን ነቲ ክሲ ይነጽግ","content":"ውድብ ጥዕና ዓለም ናብ ክልል ትግራይ መድሃኒት ክሰድድ ፍቃድ ክረክብ ከምዘይከኣለ ገሊጹ። ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፍርን ግን ክሰድድ ፍቃድ ከምዝረኸበ ገሊጹ'ሎ። ነዚ ዝገለጹካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ\/ር ቴድሮስ ኣድሓኖምን ዶ\/ር ማይክ ርያንን ብቪድዮ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ኮይኑ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ፍቃድ ሓቲቶም ግን ከምዘይተወህቦም ገሊጾም እለዉ። ዶ\/ር ቴድሮስ ኣድሓኖምን ዶ\/ር ማይክ ርያንን ብቪድዮ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሰባት ብህይወት ክነብሩ ዘድልዮም ነገራት ምኽልኻሎም ክትሓስቦ ዘጸግም እዩ ኢሎም። ዶ\/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብቲ መግለጺኦም 7 ሚልዮን ህዝቢ ንሓደ ዓመት ሙሉእ ኣብ ዕጽዋ እዩ ዘሎ መግቢ: ሕክምና: መድሃኒት ዝኣመሰሉን ቀረባት ኣይረክብን ዘሎ ኢሎም። ዶ\/ር ማይክ ርያን ብወገኖም እዚ ተግባር ንሰብኣዉነት ጸርፊ እዩ ኢሎም'ለዉ። ነዚ ብዝምልከት መንግስታዊ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ብወገኑ እቲ መግለጺ ውድብ ጥዕና ዓለም ንፕሮፖጋንዳ ህወሓት ዘቃለሐ እዩ ኢልዎ እሎ። እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ መግለጺኡ መንግስቲን ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምትሕብባር ትካላት ረድኤት 1010 ረድኤት ዝሓዛ ናይ ጽዕነት መኻይን ናብ ትግራይ ኣእትዮም እዮም ኢሉ: ግን ህወሓት ናብ ትግራይ ዝኣተዋ መኻይን ሰራዊቱ ንምግዕዓዝ ተጠቂሙለን ክብል ኸሲሱ'ሎ። ኣመራርሓ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን በብወገኖም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኸኣ ውድብ ጥዕና ዓለም ጠጠዉ ንዝበለሉ ሰብኣዊነትን ገለልተኝነትን ኣይተገዝአን ክብሉ ነቲ ውድብ ነቒፎም'ለዉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8D%E1%8B%B1%E1%89%A5-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%83%E1%8A%92%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%B0%E1%8B%B5%E1%8B%B5-%E1%8D%8D%E1%89%93%E1%8B%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%8A%B8%E1%89%A0-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%BD-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8C%8D%E1%8A%95-%E1%8A%90%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%B2-%E1%8B%AD%E1%8A%90%E1%8C%BD%E1%8C%8D\/6395879.html"} {"headline":"ልዝብ ፕረ.ባይደንን ቀ\/ሚ ኣብይን ውጽኢታዊ ምንባሩ ተገሊጹ","content":"ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ኣብ ቀረባ ዝተኻየደ ናይ ስልኪ ምይይጥ ውጺኢታዊ ኔሩ ክብል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።\\n\\nእቲ ምይይጥ ንዝነበረ ደበና ምጥርጣራት ዝነከየን ንመጻኢ ርክብ ቅኑዕ ክገብር ይኽእል'ዩ ተባሂሉ'ሎ። ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ሰሙናዊ መግለጺ ከምዝበልዎ እቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ መንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ዝተኻየደ ናይ ስልኪ ምይይጥ ውጺኢታዊ ኔሩ ኢሎም ። ፕረዚደንት ባይደን ስልጣን ካብ ዝሕዙ ንነጀው ፈላማይ ኣብ ዝኾነ ቀጥታዊ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ :ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ መበገሲ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጸገም ዝበልዎ ዘርዚሮም ገሊጾም ኢሎም ኣለዉ። ብኻልእ ወገን ሓደ ስሞም ዘይተጠቅሰ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ባይደን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ንኽዘራረቡ ዝደረኾም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣብ ቀረባ ብዝወሰድዎ ኣወንታዊ ስጉምቲ እዩ ፥ ነዞም ኣወንታዊ ስጉምታት ብዝያዳ ንምሕያል'ዉን እቲ ርክብ ክቅጽል እዩ ምባሎም ተሓቢሩ'ሎ። ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ'ውን ክልቲኣተን ሃገራት ዛጊት ዝነበረ ምጥርጣራት ንምቅያር ቀጻሊ ጽምዶ ንምግባር ተሰማሚዔን ኣለዋ ኢሎም ኣለዉ። ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብተወሳኺ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ደሕንነትን ዝተቀየሩ ከምዝመስሉ ገሊጾም'ለዉ። ኣምባሳደር ዲና ካብዚ ብተወሳኺ ብዛዕባ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት'ዉን ኣብ ቀረባ ሓይሊ ኤሌትሪክ ከመንጩ እዩ ኢሎም ግን እቲ ሱሉሳዊ ልዝብ ጠጠው ክብል እዩ ማለት ኣይኮነን ክብሉ ምግላጾም ተሓቢሩ'ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8D%E1%8B%9D%E1%89%A5-%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8B%8D%E1%8C%BD%E1%8A%A2%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6395849.html"} {"headline":"“ቀ\/ሚ ኣቢይ ኲናት ትግራይ ከዕርፎ ፍሉይ ሓላፍነት ኣለዎ” ኮሚተ ሽልማት ኖበል ሰላም","content":"ኣብ ኖርወይ ዝመደበሩ ኮሚተ ሽልማት ኖበል ሰላም፡ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ናይ 2019 ተዓዋቲ እቲ ሽልማት ዝዀኑ ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ከዕርፉዎ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ኣመልኪቶም ክብል ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ጸብጺቡ፡፡ ኣደ-መንበር እቲ ኮሚተ በሪት ረይስ-ኣንደርሰን “ከም ተዓዋቲ ሽልማት ኖበል ሰላም መጠን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ ኲናት ከዕርፉን ንሰላም ኣበርክቶ ክግበሩን ፍሉይ ሓላፍነት ይስከሙ፡” ኢለን ። እተን ኣደ-መንበር ወሲኸን፡ ሰብኣዊ ኵነታት ኣብ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ደረጃ ምብጽሑን ተበጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብቲ ክልል ድማ ዘይእኹልን ምዃን ከም ዘተሓሳሰበን ጠቒሰን። እቲ ኮሚተ ንቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንሽልማት ዘብቅዖም ኣብ 2019 ዘርኣዩዎ ተበግሶ ንሰላም ምስ ኤርትራ፥ ከምኡ’ውን በቲ ዝወሰዱዎ ሰፊሕ ናይ ሰላም ተበግሶን ለውጢን ምዃን እቲ ኮሚተ ይሕብር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A2%E1%8B%AD-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A8%E1%8B%95%E1%88%AD%E1%8D%8E-%E1%8D%8D%E1%88%89%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8E-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B0-%E1%88%BD%E1%88%8D%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%8A%96%E1%89%A0%E1%88%8D-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D\/6395477.html"} {"headline":"ምፍታሕ እሱራት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ናይ ሓባር ውሳነ መሪሕነት'ታ ሃገር ከምዝኾነ ተገሊጹ","content":"ኣብ ቀረባ ዝተፈትሑ ዝተወሰኑ ናይ ፖለቲካ እሱራት፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ብመሪሕነት ፖለቲካ`ታ ሃገር ናይ ሓባር ውሳነ ምዃኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ሚንስተር ኮሚኒኬሽን ዶ\/ር ለገሰ ቱሉ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ንምዕዋት ሃገራዊ ምኽክር፡ መንግስቲ ክኸፍሎ ዘለዎ ዋጋ ክከፍል`ዩ ኢሉ። ኣብ መዝገብ ክሲ ኣቶ ጃዋር መሓመድን ኣቶ እስክንድር ነጋን ዝነበሩ ተኸሰስቲ ክሶምዝተቛረጸሉ ምኽንያት፡ ካብቲ ኣብ መዝገብ ዶ\/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል ዝነበሩ ክሶም ዝተቛረጸሎም ሽዱሽተ ውልቀሰባት ​ዝተፈለየ ምዃኑ እቲ ሚንስተር ጠቒሱ`ሎ። እቲ ናይ ምፍታሕ ውሳነ ብብዙሓት ኢትዮጵያውያን ቁጥዐ ምልዓሉን ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ`ውን ነዚ ከምዝኣመነሉን ይፍለጥ`ዩ። ብዛዕባ`ቲ ውሳነ ርእይትኡ ዝሃበ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ተሓጋጋዚ ፕሮፈሰር ክፍሊ ሰላምን ድሕነትን ዶ\/ር ዮናስ ኣዳዬ፡ እቲ ውሳነ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንኽረጋገጽ ዘተባብዕ ምጅማር`ዩ ኢሉዎ`ሎ። እቲ ስጉምቲ ካብ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን`ውን ድጋፍ ረኺቡ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%88%95-%E1%8A%A5%E1%88%B1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%88%98%E1%88%AA%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%BE%E1%8A%90-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6393931.html"} {"headline":"ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ 12 ነጥብታት ዝሓዘ ውሳነ ምሕላፉ ተሓቢሩ","content":"ብመሰረት ቴለቭዥን ትግራይ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ክልል ትግራይ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጀንዳታት ዘትዩ 12 ነጥቢታት ዝሓዘ ውሳነ ኣሕሊፉ ኢላ። እቲ ብማእከላይ መንግስቲ ካብ መዝነቱ ዝተኣልየ ግን ከኣ ንኽልል ትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ቤት-ምኽሪ፡ ካብቲ በጺሑዎ ዝነበረ ወተሃደራዊ ገስጋስ ምምላስ ግቡእ ከም ዝዀነ ድሕሪ ምግላጽ፡ “ናይ ሰላም ዕድል ጸንቂቅካ ንምጥቃም፣ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣበርቲዑ ንኽሰርሕ ወሲኑ፡” ይብል። \"ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ልዝብ ሰላም ክመጽእ እንተዘይኪኢሉ ግን፣ ዝተጀመረ መኸተ ኣሓይሉ ንክቅጽለሉ\" እቲ ቤት ምኽሪ ወሲኑ ኣሎ ዝብለት ተለቪዥን ክልል ትግራይ፡ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ድሮን ማለት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ደደቢት፣ ኮረም፣ ኣላማጣ፣ ዓዴት፣ መቀለ፣ ኣብዓላ ሽኸትን ደብዳብ ከምዝተፈጸመን፣ ህዝቢ ከምዝሞተን ገሊጻ`ላ። ብምኽንያት’ቲ ደብዳብ ሂወቶም ንዝሳኣኑ ወገናት ንምዝካር፣ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሓዘን ከምዝተአወጀ`ውን እቲ ብቴለቪዥን ትግራይ ዝሓለፈ መልእኽቲ ጠቒሱ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A8-%E1%8A%A3%E1%8C%80%E1%8A%95%E1%8B%B3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%A0%E1%8A%B8%E1%89%A0-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-12-%E1%8A%90%E1%8C%A5%E1%89%A2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%8B%98-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%88%8B%E1%8D%89-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6393949.html"} {"headline":"መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ኣብ ልዕሊ ኣስታት 2 ሽሕ ዕጡቓት 'ሸኔ' ስጉምቲ ምውሳዱ ኣፍሊጡ","content":"ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ህጹጽ ኣዋጅ ካብ ዝእወጅ ንደሓር፡ ኣብ ልዕሊ 2 ሺሕ ዝኾኑ ዕጡቓት ሸኔ ስጉምቲ ከም ዝተወስደ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ኮሚኒኬሽን ኦሮምያ ኣቶ ሃይሉ ኣዱኛ ከም ዝገለጾ እንተኾይኑ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዕጡቓት ክማረኹ ከለዉ፡ ንኣባ ገዳ ኢዶም ዝሃቡ`ውን ኣለዉ። ብዛዕባ`ዚ ጉዳይ፡ ንባዕሎም ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡ መንግስቲ ድማ ሸኔ ካብ ዝብሎም ዕጡቓት ዝተሰምዐ ነገር የለን። ብኻልእ ወገን፡ ብተፈጥሮን ሰብ ዝፈጠሮ ሓደጋን ንዝትፈናቐሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ኦሮሚያ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዘድሊ ረድኤት ይቐርብ ከም ዘሎ እቲ ወሃቢ-ቓል ሓቢሩ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-2-%E1%88%BD%E1%88%95-%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%88%B8%E1%8A%94-%E1%88%B5%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8B%B1-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6393983.html"} {"headline":"ዘተ: ኣብ ጉዳይ ተበግሶታት መስርሕ ሰላም ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ","content":"ብሕቡእ ድዩ ብቅሉዕ ዝዝረበሉ መስርሕ ሰላም ንውግእ ናይ ትግራይ ንምፍታሕ ዝካየዱ ዝተፈላለዩ ተበግሶታት ክሳዕ ክንደይ ይሰርሑ ይኾኑ? ኤርትራ ዘይተሓወሰትሉ መስርሕ'ከ ነቲ ዞባ ነባራይ ሰላም'ዶ ከምጸአሉ ይኽእል? ኣብ ዝብሉን ካልኦት ሕቶታትን ተመርኩሱ ዝተካየደ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘተ ምስ ኣቶ ጳውሎስ ተስፋጊዮርጊስን ካብ ኣመሪካን ሕጹይ ዶክተር ዮናስ መብራህቱን ካብ ጀርመንን እዮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%89%A0%E1%8C%8D%E1%88%B6%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/6393859.html"} {"headline":"ምስጋር ድርብ መስመራ፤ ጸላም፡ ስደተኛ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ምምራሕ ዓባይ መኪና","content":"ምስጋር ድርብ መስመራ፤ ጸላም፡ ስደተኛ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ምምራሕ ዓባይ መኪና ምምራሕ ዓበይቲ መካይን ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ነባሮ ሰሜን ኣመሪካ ቅልጡፍ ስሕበት ፈጡሩ ዘሎ ሞያ’ዩ። ምዝዋር ዓበይቲ መካይን ዝበዝሕ እዋን ሰብኡት ዝዋፈሩሉ ዓውዲ ደኣ ይጽናሕ እምበር፡ ነዚ ውሱን ክመስል ዝጸንሐ ሞያ ዝሰግራ ደቀንስትዮ’ውን ኣለዋ። ኣበባ ጥዑማይ ሓንቲ ካብኣተን’ያ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8C%8B%E1%88%AD-%E1%8B%B5%E1%88%AD%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8C%B8%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B-%E1%8C%93%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8B%93%E1%89%A3%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8A%AA%E1%8A%93\/6392464.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ክሶም ተቋሪጹ ዝተፍትሑ መሰረት ሕገ መንግስቲ ከምዝኾነ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ፣ ዝሓለፈ ሰሙን 37 እሱራት ክሶም ተቋሪጹ ንክፍትሑ ዝተገብረ፣ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ’ታ ሃገር ምዃኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ወግዓዊ ገይሩ። ሓደ ኪኢላ ሕጊ ብወገኖም \"ዓቃቢ ሕጊ፣ መስርሕ ሙግት ይቋረጸለይ ክብል ምሕታቱ፣ ንናይ’ታ ሃገር ሕጊ ዝጻባእ ኣይኮነን\" ክብሉ ገሊጾም። ነቲ መስርሕ ሙግት ንክቋረጽ ዝሓተተ፣ ሚንስትሪ ፍትሒ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ተሓቢሩ'ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AD%E1%88%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%89%8B%E1%88%AA%E1%8C%B9-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%91-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%8C%88-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%BE%E1%8A%90-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6392433.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ 17 ሰባት ምሟቶም ሮይተርስ ሓቢሩ","content":"ትማሊ ሶኑይ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ማይ ፀብሪ ብዝተፈፀመ ደብዳብ ነፋሪት መብዛሕቲአን ደቂ ኣንስትዮ ዝኾና ብውሑዱ 17 ሰባት ምሟቶምን ካልኦት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ምቑሳሎም ንከባቢያዊ ሰበስልጣንን መሰኻኽር ዓይኒን ዝጠቐሱ ክልተ ሰራሕተኛታት ረድኤት ገሊፆም ክብል ሮይተርስ ፀብፂቡ። ። ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ክልል ትግራይ ተመዛበልቲ ኣብ ዝተዓቖቡሉ ካምፕ ብዝተፈፀመ ደብዳብ ነፋሪት ህፃናት ዝርከቡዎም 56 ሰባት ምስ ምሟቶምን ካልኦት 30 ሰባት ምቁሳሎምን ይፈልጥ።ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ልዕሊ ስቪላት ይወርድ ዘሎ ሞትን ስቓይን ንቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ትማሊ ሶኑይ ስኽፍትኦም ገሊፆምሎም ኣለው። ወሃቢ ቃል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነን ወሃቢ ቃል መንግስቲ ለገሰ ቱሉን ኣብ ማይ ፀብሪ ንዝተፈፀመ ደብዳብ ነፋሪት ዝቐረበሎም ሕቶ ኣይመለሱን። ብዝተኣሳሰረ ዜና ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈፂሞም ብዛዕባ ዝተባህሉ ደብዳብ ነፈርቲ ብዕምቆት ከምዘሻቐሎም ወሃቢ ቃሎም ስቴፈን ዱጃሪክ ትማሊ ሶኑይ ገሊፆም።እዚ 56 ሰባት ዝተቐትልሉ ደብዳብ ነፋሪት ብዝምልከት ካብዚ ዓለምለኸ ኣካል ዝተዋህበ ፈላማይ ርእይቶ እዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B0-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%89%A5-%E1%8A%90%E1%8D%88%E1%88%AD%E1%89%B2-17-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%88%AE%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%88%B5-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6392299.html"} {"headline":"መቐለ: ብደርቂ ንዝተጠቕዑ ህፃናት ዝድግፍ ተበግሶ","content":"ማሕበር ወነንቲ ሆቴልን ኣብያተ መደቀሲን መቐለ ብስእነት መዓዛታት መግቢ ትሕቲ ስሩዕ ክብደት ንዘለዎም ህጻናትን ኣደታትን ንምሕጋዝ ተበግሶ ወሲዱ፡ ኣብ ቀዳማይ ዙር ን150 ህጻናትን ኣደታትን ኣብ ምሕጋዝ ይርከብ። ንኣቦ-መንበርን ኣባል ኣመራርሓን እቲ ማሕበር ኣይተ የማነ ገብረሊባኖስ፣ ነቲ ተበግሶ ዘንቀለ ጋዜጠኛ ገብረእዝግዚኣቤር ኣብርሃን ሓንቲ ካብቶም ተጠቀምቲ እቲ መደብ ዝዀና ሰላም በላቸውን ኣዘራሪቡ ኣሎ፡ ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%89%A5%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%A0%E1%89%95%E1%8B%91-%E1%88%85%E1%8D%83%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8B%B5%E1%8C%8D%E1%8D%8D-%E1%89%B0%E1%89%A0%E1%8C%8D%E1%88%B6-\/6390811.html"} {"headline":"ገለ ተወዳደርቲ ፓርቲታት ኢትዮጵያ ንምፍታሕ ሰበ ስልጣን ህወሓት ነበር ተቓዊዎም","content":"ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩን ጉዳዮም ብሕጊ ዝተትሓዘን ናይ ቀደም ሰበስልጣን ህወሓት ክሶም ተቛሪፁ ክፍትሑ መንግስቲ ምውሳኑ ገለ ተወዳደርቲ ፓርትታት ተቓዊሞም። እቶም ተወዳደርቲ ፓርቲታት እቲ ውሳነ ፍትሒ፣ልዕልና ሕግን ናጽነት ውድባትን ዝዳፋእን ኣብ ህዝቢ ዝወረደ ጉድኣት ኣኹኪሱ ክርኣይ ዝገብርን እዩ ኢሎምዎ ኣለው። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ትማሊ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ \"ንመንግስቲ ሓዊሱ ዘሰንበደን እንተኾነ እውን ንናይ ኢትዮጵያ ነባሪ ረብሓ ዝጠቅምን ዝሕግዝን እዩ’’ኢሎምዎ ኣለው። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%88%E1%88%88-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%8B%B3%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%88%95-%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8A%E1%8B%8E%E1%88%9D\/6390738.html"} {"headline":"ክልል ትግራይ: ሕ\/ሃ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ብሰንኪ ደብዳብ ምንቅስቓሳቶም ከቋርጹ ከምዝተገደዱ ይገልጽ","content":"ሕቡራት ሃገራት ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ይካየድ ዘሎ ኲናት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣብ ዝተዓቖብሉ ቦታ ብዝተፈፀመ ደብዳብ ድሮንን ዝወረደ ጉድኣትን ሰብኣዊ ሓገዝ ወሃብቲ ኣካላት ኣብቲ ኸባቢ የካይዱዎ ዝነበሩ ምንቅስቓሳት ከቋርፁ ምግዳዶም ሓቢሩ ። እቲ ደብዳብ ዝተኻየደ መንግስቲ ኢትዮጵያ “ሃገራዊ ዕርቂ\" ድሕሪ ምፅውዑን ማሕበረሰብ ዓለም'ውን እቲ ግፍዓዊ ጭካነ ዝተሞልኦ ጎንፂ ደው ንኽብል ደጊሙ ፃውዒቱ ኣብዘሐደሰሉ እዋን'ዩ። ኣብ ቤት ፅሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያት (ኦቻ) ንኣጃንሲ ፍራንስ ፕረስ ብፅሑፍ ከምዝሓበሮ እቲ ኣብ ስሜን ምዕራብ ክልል ትግራይ ከተማ ደደቢት ዝተኻየደ ደብዳብ ድሮን ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ፍርቂ ለይቲ ዝተፈፀመ ኾይኑ “ኣብ ብርክት ዝበሉ ሰላማውያን ሰባት ሞትን መቁሰልትን ኣውሪዱ” ኢሉ ። “ነዚ ቀጻሊ ደብዳብ ድሮን ብምስጋእ ኣብቲ ኸባቢ ተዋፊሮም ዝነበሩ ሰብኣዊ ሓገዝ ወሃብቲ ኣካላት ምንቅስቃሳቶም ከቋርፁ ምግዳዶም” ይገልፅ ። መግለፂ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ በቲ መጥቃዕቲ ድሮን 56 ሰባት ምሟቶም ክሕብር ከሎ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ሰበ ስልጣን ላዕለዋይ ሆስፒታል እታ ኽልል ግና 55 ሰባት ምሟቶምን 126 ድማ ምቑሳሎም ይገልፁ ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ብቀዳም ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ስሜን ምዕራብ ትግራይ አብ ልዕሊ ዝርከብ ሰራዊቶም መጥቃዕቲ ፈፂሞም ክብሉ ትማሊ ትማሊ ሰንበት ኣብ ናይ ትዊተር ገጾም ሓቢሮም። ንሶም ወሲኾም ኤርትራ “ሓድነት ኢትዮጵያ ክሕሉ ብዝብል ምስምስ ኩሉ ሰላም ንምምፃእ ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ፃዕርታት ንምትዕንቃፍ” ትፍትን ኣላ ክብሉ ይኸሱ ። ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ናብቲ ክልል ዘእትዉ መገድታት ብምዕፃዎምን መራኸቢ ማዕከናት ብምቁራፆምን ነዞም ክስታት ብሳልሳይ ወገን ከፃርዮም ኣይከኣለን ። ካብ ሰበ- ስልጣናት ኢትዮጵያ መልሲ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ'ውን ከምዘይሰለጦ ይሕብር ። ኣብ ቤት ፅሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያት (ኦቻ) ሕክምናዊ ቀረባት፣ ነዳድን ዝኣምሰሉ ሕፅረታትን ብፍላይ ድማ ዳርጋ ሙሉእ ብሙሉእ ዝዓነዉ ትካላት ጥዕና ትግራይን ንግዳያት ቅልጡፍ ምላሽ ኣብ ምሃብ ዕንቅፋት ምዃኑ አብቲ ዝለኣኾ ፅሑፍ ይገልፅ ።ብምዃኑ ከም ብሓዱሽ ዝፍፀሙ ዘለዉ ደብዳባት ኣየር ከምዘሰንበዶምንን ኩሎም ተፃባእቲ ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታትን ግቡኣቶምን ከኽብሩ ፀዊዑ ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ቤት ጽሕፈተ ወጻኢ ዝምድናታት ክልል ትግራይ ዝተባህለ ወግዓዊ ትካል ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውጽኦ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ “ካብቲ በብእዋኑ ክካየድ ዝጸንሐ መጥቃዕታት ድሮናትን ነፈርቲን እዚ ዳሕረዋይ ኣዝዩ ዘሕዝን ዝገብሮ ነቶም ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ዝመጹ ውሽጣውያን ተመዛበልቲ ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ’ዩ ኢሉ። ወሲኹ እቲ መግለጺ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ’ውን ብወገን ዓዲ-ጸጸር ከባቢ ሸራሮ ብሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ መጥቃዕቲ ከም ዝተኻየደ ጠቒሱ ኣሎ። እቲ መግለጺ ኣብ መወዳእታ ማሕበረሰብ ዓለም ኪንዮ “ምዅናን” ግብራዊ ስጕምቲ ወሲዱ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ቅትለታት ደው ከብሎ ጸዊዑ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%B5%E1%89%93%E1%88%B3%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%89%8B%E1%88%AD%E1%8C%B9-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%8B%B0%E1%8B%B1-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%BD\/6390723.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረ.ጆ ባይደን ብተሌፎን ምዝርራቦም ኣፍሊጦም","content":"ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን ብቴለፎን ተራኺቦም። እቶም ክልተ መራሕቲ ኣብ ህሉዊ ምዕባለታት ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ከም ዝተዘራረቡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ናይ ትዊተሮም ገጽ ኣመልኪቶም። እቶም ክልተ መራሕቲ ንጉዳይ ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ኣመልኪቶም ከም ዝተዛረረቡን ሓቢሮም ክሰርሑ ከም ዝተሰማምዑን እቲ ሓጺር መልእኽቲ ትዊተር ይሕብር። ዋይት ሃውስ ኣማሲዩ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝቐፀለ ግጭትን ሰላምን ዕርቅን ንምስጓምን ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ከምዝተዘራረቡ ገሊጹ'ሎ። ፕረዚደንት ባይደን: ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብ ቀረባ ዝወሰዱዎ ምፍታሕ ፖለቲካዊ እሱራት ናእድኦም ገሊፆም ኣለው።ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ልዝብ ዝተመስረተ ቶኽሲ ደው ምባል ክካየድ፣ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተበፃሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ክመሓየሽ፣ብኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ምእሳር ሰባትን ዘለው ስኽፍታታት ሰብኣዊ መሰላትን ብዝምልከት ተዘራሪቦም ኣለው። እቲ መግለፂ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ቀረባ ዝተፈፀሙ ናይ ኣየር መጥቓዕትታትን ሓዊሱ ዝቐፀለ ተፃብኦ ኣብ ልዕሊ ስቪላት ሞትን ስቓይን ክቕፅል ከምዝገበረን ዘለዎም ስኽፍታን ብምግላፅ ኣመሪካ ግጭት ኢትዮጵያ ብሰላም ንክፍታሕ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን ዞባዊ መሻርኽትን ከምእትሰርሕ ባይደን ኣረጋጊፆም ይብል ። መግለፂ ዋይት ሃውስ ክልቲኦም መራሕቲ ርክብ ኣመሪካን ኢትዮጵያን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብ ብዙሓት ዛዕባታት ምትሕብባሮም ንምሕያልን ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ጭቡጥ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድን ንዝብሉ ዛዕባታት' ውን ኣስሚሮምሉ ኣለው ይብል ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8C%86-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%8B%B0%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%89%B0%E1%88%8C%E1%8D%8E%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%88%AB%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A6%E1%88%9D\/6390523.html"} {"headline":"ጉዳይ ሱዳን ናበይ?","content":"ድሕሪ ካብ ስልጣን ምውራድ ቀዳማይ ሚንስተር ዓብደላ ሓምዶክ፥ ሱዳን ኣብ ዓሚቕ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣትያ ትርከብ። ንምዃኑ ኣብ ሱዳን ሲቪላዊ መንግስቲ ንምትካል ብተደጋጋሚ ዘጸግም ዘሎ ስለምንታይ እዩ? ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዘሎ ጂኦ-ፖለቲካዊ ጽልዋታት ከመይ ዝበለ እዩ?\\nኣብ ኣጠቓላሊ ውዕል ሰላም ሱዳን ዓቢይ እጃም ዝነበሮ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብከ፥ ቀጻሊ ተርኡ እንታይ እዩ ክኸውን? ነዚን ካልኦት ተዛመድቲ ሕቶታትን ክትንትኑልና ንክልተ ኣጋይሽ ዓዲምና ኣለና። ኣጋይሽና ኣቶ ኢብራሂም እድሪስ ካብዚ ካብ ኣመሪካ፥ ኣቶ ዓብደራሕማን ሰይድ ድማ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ክኾኑ ኸለዉ፡ ንነዊሕ ዓመታት ንሱዳን ሓዊሱ ንጂኦ-ፖለቲካዊ ኩነታት ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ክትንትኑ፥ ንድምጺ ኣመሪካን ካልኦት ዓበይቲ ሚድያታት ቃለ-መጠይቕ ክህቡን ብዛዕባ እቲ ኸባቢ ክጽሕፉ ዝጸንሑን እዮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A0%E1%8B%AD-\/6390357.html"} {"headline":"ኣብ ትሕቲ መዝገብ ክሲ ዶ\/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል ዝርከቡ 6 ተኸሰስቲ ክሶም ከምዝተለዓለሎም ተገሊጹ","content":"ኣብ ትሕቲ መዝገብ ክሲ ዶ\/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል ዝርከቡ ሽዱሽተ ተኸሰስቲ ክሶም ከምዝተለዓለሎም ተገሊጹ። ሚኒስትሪ ፍትሒ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ መዝገብ ክሲ ዶ\/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል ዝርከቡ ሽዱሽተ ተኸሰስቲ ብሰብኣዊነት ምክንያት ክሶም ከምዝተላዕለ ገሊጹ። ሚኒስትር ፍትሒ ዶ\/ር ጊድዮን ጢሞትዮስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብቲ መዝገብ ክሲ ዝርከቡ ካልኦት ተኸሰስቲ ግን መስርሕ ክሶም ከምዝቕጽል ሓቢሮም ኣለው። ኣብ ትሕቲ መዝገብ ክሲ ኣቶ ጀውሃር መሓመድን ኣቶ እስክንደር ነጋን ዝርከቡ ተኸሰስቲ ግን ነቲ ተወጢኑ ዘሎ ሃገራዊ ልዝብ ውጽኢታዊ ክከውን ተባሂሉ ክሶም ከምዝተቋረጸ እቶም ሚኒስትር ወሲኾም ሓቢሮም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%B2-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%8C%BD%E1%8B%A8%E1%8A%95-%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%9A%E1%8A%AB%E1%8A%A4%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-6-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%88%B0%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%B6%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%88%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9-\/6388385.html"} {"headline":"ንላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተወሳኺ ማዕረግ ምውሃቡ ተገሊጹ","content":"ሓላፊ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ማዕረግ ፊልድ ማርሻል ተቐቢሎም። ሎሚ ቀዳም ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ንላዕለዎት ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ ተወሳኺ ማዕረግ ከምዝተዋህበ ፕረዚደንት'ታ ሃገር ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊጸን። በዚ መሰረት ኣብቲ ናይ ሎሚ ስነ ስርዓት ሓደ ናይ ፊልድ ማርሻል ማዕረግ: ኣርባዕተ ማዕረግ ጀነራል: 14 ናይ ሌተናል ጀነራል ማዕረግ: 24 ናይ ሜጀር ከምኡ'ውን 58 ናይ ብርጋዴር ጀመራል ማዕረግ ተዋሂቡ'ሎ። ኣብቲ ናይ ሎሚ ስነ ስርዓት ናይ ጀነራል ማዕረግ ዝረኸቡ ጀነራል ባጫ ደበሌ \"እዚ ሎሚ ዝተዋህበ ተወሳኺ ማዕረግ ኣብ ወታሃደራዊ ኣሰራርዓ'ታ ሃገር ዓብይ ኣበርክቶ ኣለው\" ኢሎም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%98%E1%8B%9D%E1%89%B2-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B3%E1%8A%BA-%E1%88%9B%E1%8B%95%E1%88%A8%E1%8C%8D-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%83%E1%89%A1-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6388374.html"} {"headline":"'ደብዳበ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ 56 ሰባት ቀቲሉ፡ ኣስታት 30 ኣቝሲሉ' ሮይተርስ","content":"ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንሰራሕተኛታት ረዲኤት ብምውካስ ከም ዘስፈሮ፡ ኣብ ደደቢት፡ ትግራይ ሎሚ ቀዳም ብዝተኻየደ ደብዳበ ነፈርቲ ካብ ውሽጣውያን ተመዛበልቲ ዝዀኑ 56 ሰባት ምሟቶምን፡ ካልኦት ብውሑዱ ድማ 30 ምቝሳሎም ገሊጹ ኣሎ። እቶም ስሞም ክዕቀበሎም ዝሓተቱ ሰራሕተኛታት ረዲኤት፡ ኣሃዝ መጠን ሞት ካብ ሰብ-መዚ ከም ዝረኸቡዎ ከመልክቱ እንከለዉ፡ ብስእሊ ኣሰንዮም ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ከም ዝለኣኹዎ ድማ በቲ ደብዳበ ዝተሃርሙ ህጻናት’ውን ንሕክምና ተወሲዶም ኣለዉ። ወሃብ-ቃል ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነን ወሃብ-ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉን ንምርካቦም ዝተኻተደ ፈተነ ኣይተዓወተን። ኣብ ዝቐደመ እዋን ግን መንግስቲ ንሲቪላዊ ዒላማ ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ ከም ዘይፈጸመ’ዩ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%89%A0-%E1%8A%90%E1%8D%88%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-56-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%89%B2%E1%88%89-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-30-%E1%8A%A3%E1%89%9D%E1%88%B2%E1%88%89-%E1%88%AE%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%88%B5\/6388369.html"} {"headline":"ደራሲ ተስፋዬ ገብረኣብ ብኣዒንቲ ጸሓፍቲ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኬንያ ብሕማም መንሽሮ ንዝዓረፈ ህቡብ ደራሲ ተስፋዬ ገብረኣብ ዝዝክር መደብ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ከም ዘቕረብና ይዝከር። ንሎሚ እምበኣር ተስፋዬ ብመነጸር ካልኦት ጸሓፍቲ’ውን ንምርኣይ ክልተ ኣጋይሽ ዓዲምና ኣሎና። ቀዳማይ ህቡብ ደራሲን ተመራማሪ ታሪኽን ኣለምስገድ ተስፋይ ኰይኑ ሓንቲ ካብ መጽሓፍቲ ተስፋዬ’ውን ናብ እንግሊዘኛ ዝተርጐመ’ዩ። ካልኣይ ጋሻ ድማ ደራሲ፡ ሃያሲን፡ ሰራሕ ፊልምን ኣኸድር ኣሕመዲን’ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%B2-%E1%89%B0%E1%88%B5%E1%8D%8B%E1%8B%AC-%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%92%E1%8A%95%E1%89%B2-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%8D%E1%89%B2\/6387604.html"} {"headline":"ቃለ መሕትት ምስ ዶ\/ር ሃብተ ሃብተጊዮርጊስ-ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ህንጻ ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ንዘጋጠመ ፍጻመ ዝምልከት","content":"ደገፍቲ ፕረዚደንት ዝነበሩ ዶናልድ ትራምፕ፣ ዝሓለፈ ዓመት 6 ጥሪ 2021 ናብ መአከቢ ኣዳራሽ ኣብያተ ምኽሪ ኣሜሪካ ህሩግ ኢሎም ዝኣተውሉ ዕለት እዩ። እዚ ክስተት’ዚ ኣብ ልዕሊ ዴሞክራሲ ዘንጸላለወ ብድሆ ደኾን ይኸውን? ነዚ ሕቶ’ዚን ካልኦትን ንምብራህ ንዶ\/ር በርሀ ሃብተግዮርጊስ ኣዘራሪብናዮ ኣለና ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%88%95%E1%89%B5%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%88%83%E1%89%A5%E1%89%B0-%E1%88%83%E1%89%A5%E1%89%B0%E1%8C%8A%E1%8B%AE%E1%88%AD%E1%8C%8A%E1%88%B5-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%88%88%E1%8D%88-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8A%95%E1%8C%BB-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%8D%8D%E1%8C%BB%E1%88%98-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-\/6387613.html"} {"headline":"ላዕለዎት ፖለቲካውያን እሱራት ኢትዮጵያ ይፍትሑ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ንነባሪ ህብረ ብሄራዊ ሓድነትን ሰላምን ክብል ንዝተወሰኑ እሱራት ብምሕረት ምፍትሑ ገሊጹ ኣሎ። እቶም ኣብ ማእሰርቲ ጸኒሖም ዝተፈትሑ፡ (ኣቦይ) ስብሓት ነጋ፡ ጃዋር መሓመድ፡ በቀለ ግርባን እስክንድር ነጋን ይርከቡዎም። ዝርዝር እቶም ምፍታሖም ተፈሊጡ ዘሎ እሱራት እዞም ዝስዕቡ’ዮም። 1) ኣቶ ስብሓት ነጋ 2) ወይዘሮ ቅዱሳን ነጋ 3) ኣቶ ኣባይ ወልዱ 4) ኣቶ ኣባዲ ዘሙ 5) ወይዘሮ ሙሉ ገብረ እግዝኣብሄር 6) ኣቶ ኪሮን ሓጎስ 7)ኣቶ ጀዋር መሓመድን ኣብ ትሕቲ ናቶም መዝገብ ዝተኸሰሱን ኩሎም 8) ኣቶ እስክንድር ነጋን ኣብ ትሕቲ ናቶም መዝገብ ዝተኸሰሱን ብሙሉኦም ተፈቲሖም ኣለው። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%89%B5-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A5%E1%88%B1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%AD%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%91\/6387407.html"} {"headline":"ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ዘይፍለጥን ተለዋዋጣይን'ዩ ክብሉ ወሃብ ቃል ሕ\/ሃ ሓቢሮም","content":"ወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ስቴፋን ዱጃሪክ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ዘይፍለጥን ተለዋዋጣይን እዩ ኢሎም ።ብዘሎ ወጥሪ ናብ መቐለ ዘእትው እንኮ መንገዲ ሰመራ ኣብዓላ ንምንቅስቓሳት ይድርቶ ብምህላው ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ኩነታት እናገደደ ምኻዱ ገሊፆም።ካብ 15 ታሕሳስ ጀሚሩ ሰብኣዊ ቀረባት ዝፅዓና መካይን ናብ ትግራይ ኣይኣተዋን። ካብ 12 ሓምለጀሚሩ ናብ ትግራይ ዝኣተዋ ፅዕነት መካይን 1,338 ጥራሕ ምዃነን እዚ ድማ ካብቲ ዘድሊ ትሕቲ 12 ምእታዊት ምዃኑን ወሲኾም ገሊፆም።ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ንዘድልዮም ሰባት ንብምብጻሕ ኣብ መዓልቲ 100 መካይን ክኣትዋ ኣለወን። ክሳብ 3 ጥሪ 2022 ኣብ ዘሎ ግዜ መሻርኽቲ ሕቡራት ሃገራት ዝኾኑ ትካላት ረድኤት መግቢ ንምክፍፋል ኣብ ኢዶም ዝተረፈ ነዳዲ 10,000 ሊትሮ ጥራሕ ምዃኑን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መቐለ ዝርከብ ውሱን መግቢ ንምክፍፋል እንተወሓደ 60,000 ሊትሮ ነዳዲ ከምዘድሊን ዱጃሪክ ገሊፆም። ብርክት ዝበሉ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ኣብ ቀረባ ነዳዲን ገንዘብን እንተዘይቐሪቡሎም ስራሕ ሰብኣዊ ቀረባት ጠጠው ንምባል ክግደዱ እዮም። ኣብ ዓፋር፣ኣምሓራን ምዕራብ ትግራይን ሓዊሱ ሰባት ምምዝባል ቀፂሎም ኣለው።ይምለሱ ዘለው ሰባት ኣለው፤ መግቢ፣ማይ፣ናይ ፅርየትን መፅለልን ግን የድልዮም ኣሎ ኢሎም። ትካላት ረድኤት ኣብ በዳሂ ኩነታት ኣገዳሲ ረድኤት የቕርቡ ከምዘለውን ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንልዕሊ 33,000 ሰባት መፅለሊን ካልእ ረድኤትን ከምዝተውሃበን ቁፅሪ ዝተሓገዙ 586,000 ምብፅሑን ወሃቢ ቃል ስቴፋን ዱጃሪክ ገሊፆም። ዱጃሪክ ትማሊ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኩሎም ወገናት ኣብ ትግራይ:ኣምሓራን ዓፋርን ዘይተደረትን ቀፃልነት ዘለዎ ተበፃሕነት ክህልው ከፍቕዱ ነተሓሳስብ ኢሎም። ብኻልእ ዜና ውድብ ጥዕና ዓለም 14 ሜትሪክ ቶን ቀረባት ሕክምና ንክልል ዓፋር 70 ሜትሪክ ቶን ድማ ንክልል ኣምሓራ ኣብ ታሕሳስ ከምዘቕረበ ኣፍሊጡ።ውድብ ጥዕና ዓለም ካብ ፍርቂ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ናብ ትግራይ ከቕርብ ከምዘይተፈቐደሉ ገሊፁ ኣሎ።ኣብ ትግራይ ንገለ ሰብኣዊን ጥዕናን ድልየታት ንምሕጋዝ ናብ ክልል ትግራይ ናይ ሕክምና ቀረባት ንምቕራብ ብውድብ ጥዕና ዓለም ተደጋጋሚ ሕቶ ምቕራቡ'ውን ተሓቢሩ'ሎ። እቲ መግለፂ ኣብ ሶሪያ፣ደቡብ ሱዳን፣የመንን ኣብ ካልኦት ከባቢታትን ኣብ ከቢድ እዋን ግጭት ውድብ ጥዕና ዓለም ምስ ካልኦት መሻርኽቲ ብምዃን ህይወት ከድሕን ይፍቀደሉ ነይሩ ይብል :ይኹን እምበር ኣብ ትግራይ ዘሎ ዕፅዋ ተበፃሕነት ሰብኣዊ ቀረባት ከይበፅሕ ብምግባር ሰባት ይሞቱ ኣለው ይብል። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8D%8D%E1%88%88%E1%8C%A5%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%88%88%E1%8B%8B%E1%8B%8B%E1%8C%A3%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8B%A9-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A5-%E1%89%83%E1%88%8D-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/6387396.html"} {"headline":"ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕ\/ሃ ብሞት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ይሻቐል","content":"ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝዕቈቡሉ መዓስከር ማይ-ዓይኒ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ክልተ ህጻናት ዝርከቡዎም ሰለስተ ስደተኛታት ብምቕታሎም ኣዝዩ ኣሕዛኒ ተርእዮ’ዩ ክብሉ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ ገሊጾም። ከም መግለጺ ሕቡራት ሃገራት ብፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ደብዳበ ነፈርቲ ካልኦት ኣርባዕተ ኤርትራውያን ስደተኛታት’ውን ተሃሪሞም ኣለዉ። ኵነታት እቶም ኣርባዕተ ቍሱላት ኣብ ደሓን ደረጃ ምህላዉን ዘድሊ ሕክምናዊ ረዲኤት ይግበረሎም ከም ዘሎን እቲ መግለጺ ይጠቅስ። ነቲ ኣጋጣሚ ምርኩስ ብምግባር ኮሚሽነር ግራንዲ፡ ኵላቶም ወገናት መሰልን ህይወትን ስደተኛታት ክሕሉዉን ንዓለምለኸ ስምምዓት ስደተኛታት ከተግብሩን ጸዊዖም። ካብ ወታሃደራዊ ዒላማ ወጻኢ ኣብ ዝዀኑ በበይኑ ቦታታት ትግራይ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ድሮናትን ነፈርቲን የጋጥም ከም ዘሎ ኣብ ዝሓለፈ ዜናታትና ምጥቃስና ይዝከር። ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ጉድይ ኣመልኪቱ ዝተዋህበ ግብረ-መልሲ ዛጊት የሎን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8B%E1%8B%AD-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%89%A5%E1%88%9E%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%AD%E1%88%BB%E1%89%90%E1%88%8D\/6387214.html"} {"headline":"ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ብሰንኪ ሕጽረት ቀረብ ኣገልግሎት ደው ከብል ይግደድ ምህላው ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ብምኽንያት ልዕሊ ዓመት ኣቁፂሩ ዝርከብ ኲናት ኣብታ ክልል ዝርከብ ዝዓበየ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ኣገልግሎት ምሃብ ጠጠው ከብል ይግደድ ምህላዉ ተገሊፁ ። እዚ ሕፅረት ሕክምናዊ ናውትን ኣፋውስን ዝገጠሞ ሆስፒታል ማሕበረሰብ ዓለም ቅልጡፍ ምላሹ ክህቦም ሰብ ሞያ ሕክምና እቲ ሆስፒታል ፀዊዖም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5-%E1%88%AA%E1%8D%88%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%88%86%E1%88%B5%E1%8D%92%E1%89%B3%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8B%AD%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%88%95%E1%8C%BD%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%88%A8%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%8A%A8%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8B%AD%E1%8C%8D%E1%8B%B0%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6385768.html"} {"headline":"ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝረአ ምትዕንቓፍ ሰብኣዊ ረድኤት ተሓታቲ ህወሓት'ዩ ክብል ሚ\/ጉ\/ወጻኢ ኢትዮጵያ ከሲሱ","content":"ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝራኣይ ምትዕንቓፍ ሰብኣዊ ቀረብን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እንኮ ተሓታቲ ‘ጉጅለ ሽበራ እዩ’ ክብል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ከምዝኸሰሰ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ። ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ \"ኣብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታትን ንዝፍጸሙ ኣሰቃቂ ተግባራት ዝሕተተሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሸባሪ ኢሉ ዝገለጾ ህወሓት እዩ\" ኢሎም። ኣምባሳደር ዲና ወሲኾም ‘እቲ ኣሸባሪ ዝበልዎ ሓይሊ፣ ኣብ’ዚ ሰሙን ኣብ ኣብዓላ ዝፈጸሞ ምትንኳስ፣ ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት፣ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ንዝተፈላለዩ ኣካላት ብጽሑፍ አፍሊጦም እዮም’ ይብሉ። ሰበ ስልጣን ህወሓት ብወገኖም \"መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገን ዓፋር መጥቓዕቲ ፈጺሙልና\" ኢሎም ከምዝገለጹ ዝዝከር እዩ። እዞም ሰበ ስልጣን ወሲኾም \"ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ሰራዊቶም ዝሳሓበ ንልዝብ ሰላም ዕድል ንምሃብ ተባሂሉ ከምዝኾነ\" ጠቂሶም ኣለው። ኣምባሳደር ዲና ግና፣ ውግእ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዓወት ኢትዮጵያ ይዛዘም ኣሎ ከምዝበሉ እቲ ሪፖርት ገሊጹ። እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ተሓላቂ መሰላት ሁማን ራይት ዋች ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ካብ ስዑድያ ዝተመለሱ ተጋሩ ኣሲሩ የከላብቶምን የጥፈኦም ከምዘሎን ከምዝጠቀሰን፣ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ግና ንሪፖርት ሁማን ራይት ዋች \"ድርሰት ሁማን ራይት ዋች እዩ\" ክብሉ ነጺጎምዎ ኣለው። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%8A%A0-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8B%95%E1%8A%95%E1%89%93%E1%8D%8D-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%A8%E1%8B%B5-%E1%8A%A4%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%B3%E1%89%B2-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8B%A9-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A8%E1%88%B2%E1%88%B1\/6385603.html"} {"headline":"ኣብ ኤርትራ ነጸርታ ሕማም ዓሶ እተለሊ ማሽን ማዕቢላ","content":"ዶክተር ናሆም ዳኒኤልን ናይ ኮምፑተር መሃንድስ ንጉሰ ብርሃነን ዝተባህሉ ክልተ መንእሰያት ኣብ ኤርትራ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ዝኾነ ሕማም ዓሶ ዘለሊ ማሽን ኣማዕቢሎም።እታ ዘማዕበልዋ ማሽን ብሰብ-ሰርሖ ብልሒ(AI) ትሰርሕ ኮይና ካብ ማይክሮስኮፕ ደረቕን ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ብምውሳድ ኣብ ሓጺር እዋን ምሉእ ነጸርታ ናይቲ ሕማም ከም እትህብ ኣማዕበልታ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም። ኣብ 2015 ኣብ ኡጋንዳ ተመሳሳሊ ማሽን ማዕቢላ ከምዝነበረት ዝገለጹእዞም ኣማዕበልታ፡እዛ ማሽን በቲ ትህቦ ኣገልግሎት ፍሉይነት ብልጫን ከምዘለዋን ምስ ዘለናዮ ናይ ቴክኖሎጂ ደረጃ ትሳነ ከምዝኾነትን ወሲኾም ኣረዲኦም።ብማሽን ኣብ ዝግበር ምልምማድ ዝየዳ ዳታ ምስ ተረኽበ ዝበለጸ ውጽኢት ከምዝርከብ ዝጥቐሱ ኣማዕበልታ ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ናይ ፈተነ ምስልታት ብዝገበርዎ ፈተን 82% ልክዕነት ዘለዎ ውጽኢት ከምዝሃበቶም ብምሕባር ዝያዳ ዳታ ብምሃብ ዝያዳ ልክዕነት ከምዝህልዋ ንምግባር ይሰርሑ ከምዘለዉ ተዛሪቦም። ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ መሕትት ዶ\/ር ናሆም ዳኒኤልን ናይ ኮምፕዩተር መሃድስ ንጉሰ ብርሃነ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%90%E1%8C%B8%E1%88%AD%E1%89%B3-%E1%88%95%E1%88%9B%E1%88%9D-%E1%8B%93%E1%88%B6-%E1%8A%A5%E1%89%B0%E1%88%88%E1%88%8A-%E1%88%9B%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%9B%E1%8B%95%E1%89%A2%E1%88%8B\/6385546.html"} {"headline":"ቻይና ፍሉይ ልኡኽ ንጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትመዝዝ ምዃና ተመልክት","content":"ቻይና ንሰላምን ሓባራዊ ስራሕ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝከታተል ፍሉይ ልኡኽ ክትመዝዝ ምዃና ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ’ታ ሃገር ዋንግ ዪ ኣብ ናይ ኬንያ ዑደቶም ኣመልኪቶም። ዋንግ ነዚ ርእይቶ’ዚ ሎሚ ዝሃቡ፣ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጄፍርይ ፈልትማን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን እዩ። እቲ ዞባ ብሰንኪ ኣብ ሱዳን ዝተፈጸመ ዕልዋን ኣብ ሶማል ብሰንኪ ምርጫ ዘጋጠመ ምፍጣጥን ካልእ ቅልውላው ተወሲኽዎ ኣሎ። ኣብ ኬንያ መገሻ ዝፈጸሙ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ዋንግ፣ ሃገሮም፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንመስርሕ ሰላም ዝመርሕ ፍሉይ ልኡኽ ክትምዝዝ እያ ኢሎም። ኣብ ወደባዊት ከተማ ሞምባሳ ኮይኖም ዝተዛረቡ እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና \"ሃገሮም ህዝቢታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም መታን ክረኽቡ ክተሐግዞም እያ\" ኢሎም። \"ኣብ ማዕርነት ዝተመርኮሰ ልዝብ፣ ከምኡ'ውን ምዕራፍ ህዝቢታት’ዚ ዞባ ኣብ ኢድ እዞም ህዝቢታት ከምዝኾነ ምርግጋጽ ኣገዳሲ እዩ። ሃገራት’ዚ ዞባ፣ ኣብ ኮንፈረንስ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ተራኺቦም ንክመኽሩ ርእይቶ ኣቅሪብና ኣለና። እዚ ጉዳይ’ዚ ብዕምቆት ንምዝታይን ፖለቲካዊ ምርድዳእ መታን ክህሉን ውሁድ ተግባራት ንምውሳድን፣ ቻይና ፍሉይ ልዑኽ ክትመዝዝ እያ።\" ቻይና ዝወጠነቶ ሹመት ፍሉይ ልዑኽ ነቲ ብኩናት ዝተሓመሰ ዞባ፣ መርአያ ቻይና ክትጻወቶ ዝደለየቶ ፖለቲካዊን ጸጥታዊን ተራ ከምዝኾነ ይእመነሉ። ቻይና ነዚ መግለጺ’ዚ ዝሃበት፣ ፍሉይ ልዑኽ ኣመሪካ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍርይ ፌልትማን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ቀጺሉ ንዘሎ ውግእ ንከብቅዕ ዝዓለመ መገሻ ኣብ’ታ ሃገር ኣብ ዝፍጽምሉ እዋን እዩ። ቻይና፣ ንድሮን ሓዊሱ ኣጽዋራት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ የቅርባሉ ኣለዋ ተባሂለን ካብ ሞንጎ ዝኽሰሳ ሃገራት ሓንቲ እያ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቴክኒክ ኬንያ ዝምህር ሶንግ ሙሊሮ \"ቻይና፣ ወትሃደራዊ ኣጀንዳታታ ቅድሚ ቁጠባዊ ኣንፈታት ትሰርዕ ከምዘላ\" ይገልጽ። \"ፍሉይ ልዑኻት፣ ንንግዳዊ ኣጀንዳ ዝከታተሉ ኣይኮኑን። ናይ ሰላምን ጸጥታን ጉዳያት እዮም ዝከታተሉ። ኩነታት ሰላምን ጸጥታን ኣብ ውሽጢ ወትሃደራዊ ሓይሊ ይሕቆፉ ኣለው።ፍሉይ ልዑኽ ክትመዝዝ ከላ፣ ቻይና ነዚ ኣገባብ’ዚያ ትስዕብ ዘላ: እተዘይኾን ነይሩ፣ ድልየታ ንምምላእ፣ ነቲ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ዘሎ ልዑኻ ምተጠቀመትሉ ነይራ።\" መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣንጻር ተዋጋእቲ ትግራይ ዓሚ ሕዳር መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍናው፣ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ገጢሙዋ ከምዘሎ ዝዝከር እዩ። እቲ ውግእ፣ ንሚልዮናት ኢትዮጵያዊያን ክፈናቀሉን፣ ዓሰርተታት ኣሻሓት ንክሞቱን ጠንቂ ኮይኑ፣ ነታ ሃገር ድማ ኣብ ናይ ምብትታን ሓደጋ ኣውዲቅዋ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%BB%E1%8B%AD%E1%8A%93-%E1%8D%8D%E1%88%89%E1%8B%AD-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%88%AD%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8B%9D-%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%93-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%AD%E1%89%B5\/6385433.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ መጥቃዕቲ ድሮናት ቀጺሉ","content":"ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ንሲቪላዊ ዕላማታት ዝዓለመ መጥቃዕቲ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮናት) ይፍጽም ኣሎ ክብሉ ወሃብ-ቃል ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብናይ ትዊተር ጽሑፍ ገሊጾም። ኣይተ ጌታቸው ከም ዝጠቐሱዎ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዳዕሮ-ሓፋሽ፡ ኣኽሱም፡ እንዳ’ባጉናን ሽረን በበይኑ መጥቃዕቲ ድሮናት ተኻዪዱ ህይወት ዓሰርተታት ሰላማውያን ዜጋታት ወሲዱ ኢሎም። ብተወሳኺ እቶም ወሃብ-ቃል ኣብዞም ዝተጠቕዑ ቦታታት ወተሃደራዊ ዒላማ የሎን ድሕሪ ምባል፡ እንተዀነ መርኣያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ግንባራት ዝወርዶ ዘሎ ስዕረት’ዩ ኢሎም። ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ብዛዕባ’ቲ መጥቃዕቲ ግብረ-መልሲ ንምርካብ ዝፈተንናዮ ኣይተዓወተን። ብሰንኪ ሕጽረት መጓዓዝያን ጸገማት መራኸቢታትን ድማ ናይ ትግራይ ወኪላትና ናብቲ ዝተጠቕሰ ቦታታት ብምጕዓዝ ከጻርዩን ዝርዝር ብዝሒ ግዳያትን ምዉታንን ክረጋግጹ ኣይከኣሉን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%83%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8B%B5%E1%88%AE%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%8C%BA%E1%88%89\/6385362.html"} {"headline":"ምትሓዝ ሓደ ካብ ተሃደንቲ ኣሰጋገርቲ ሰባት (ጆን ሃብቱ) እንታይ ፍልልይ ይፈጥር?","content":"ኣብ ምስግጋር ንግዲ ሰባት ክነጥፍ ዝጸንሐ’ሞ ብቤት-ፍርዲ ኔዘርላንድስ ገበነኛ ኰይኑ ድሕሪ ምርካቡ ኣብ ሃድን ዝጸንሐ ጆን ሃብቱ ወይ ድማ ጆን ኦባማ፡ ብምትሕብባር ኢንተርፖል ፖሊሰ ኬንያን ኔዘርላንድስን ምትሓዙ ኣብ በበይኑ ማዕከናት መራኸቢታት ክዝረብ ጸኒሑ። ንምዃኑ ጆን ዝኽሰሰሉ ወይ ድማ ውዒሉዎ ዝብሃል ገበናት እንታይ’ዩ? ጆን ተዋፊሩሉ ዝብሃል ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት’ከ ከመይ ዝበለ’ዩ ነይሩ: ንተሓላቒት ጉዳያት ስደተኛታት ሜሮን እስቲፋኖስ ኣዘራሪብናያ ኣሎና ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%88%93%E1%8B%9D-%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%89%B0%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%88%B0%E1%8C%8B%E1%8C%88%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-(%E1%8C%86%E1%8A%95-%E1%88%83%E1%89%A5%E1%89%B1)-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%89%B3%E1%8B%AD-%E1%8D%8D%E1%88%8D%E1%88%8D%E1%8B%AD-%E1%8B%AD%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%AD-\/6384276.html"} {"headline":"መግለጺ ሁማን ራይትስ ዎች ኣብ ጉዳይ ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝተመልሱ ተወላዶ ትግራይ","content":"ሰበ ስልጣናት ኢትዮጵያ ካብ ስዑድ ዓረብ ንዝተመልሱ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ተወለድቲ ትግራይ ብዘይኣገባብ ብምእሳርን ምግፋዕን ብሓይሊ ክስወሩ ይገብሩዎም ብምህላዎም ሱዑድ ዓረብ ተጋሩ ስደተኛታት ዘሰክፍ ኣተሓሕዛን ናብ ኢትዮጵያ ምስጓግን ጠጠው ኣቢላ ላዕለዋይ ኮምሽነር ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ዓለምለኻዊ ሓለዋ ኣብ ዝረኽብሉ ኩነታት ከመዓራሪ ይግባእ ክብል ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ሎሚ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%81%E1%88%9B%E1%8A%95-%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%89%B5%E1%88%B5-%E1%8B%8E%E1%89%BD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%8B%91%E1%8B%B2-%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B1-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B6-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-\/6384086.html"} {"headline":"ኤርትራን ቻይና ብሓባር ክስርሓ ተሰማሚዐን","content":"ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ትማሊ ምሽት ኣስመራ ንዝኣተወ ብሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ ዝምራሕ ላዕላዋይ ጉጅለ ልኡኽ ሎሚ ረቡዕ ጥሪ 5,2022 ንግሆ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ተቐቢሉ ድሕሪ ምዝርራቡ’ዩ ክልቲኤን ሃገራት ብሽርክነት ክስርሓ ኣብ ስምምዕ በጺሐን። ካብዚ ብተወሳኺ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ፡ትሕተ-ቕርጺ፡ምምዕባል ወደባት ምጽዋዕን ዓሰብን፡ከምኡ’ውን ኣብ ዕደና ኣተዂረን ክስርሓ ተሰማሚዐን ኣለዋ።ነቲ ስምምዕ ናይ ክልትኤን ሃገራት ሚንስትራት ጉዳያት ወጻኢ’ዮም ከቲሞምሉ። ብመሰረት መንግስታዊ ሚድያ`ታ ሃገር፡ ኣብቲ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ኣስመራ ዝተኻየደ ርክብ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ብዛዕባ ልምዓታዊ ቀዳምነት፡ ከምኡ`ውን ንኽልቲኣን ሃገራት ኣብ ዝረብሕ ዞባዊን ኣህጉራውን ጉዳያት ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ቻይና መግለጺ ከም ዝሃቦ ተሓቢሩ`ሎ። ቻይና ኣብ ግሎባላዊ ምሕደራን ዓለምለኻዊ ሕግን ትጻወቶ ተራ ዝነኣድ ምዃኑ`ውን ምጥቃሱ እቲ ዜና ይሕብር። ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ ብወገኑ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝግበር በይናውን ዘይሕጋውን እገዳ፡ ሃገሩ ከም ትነጽጎ ምግላጹ እቲ ዜና ሓቢሩ`ሎ። ፕረዚደንት ኢሳያስ፡ ብዛዕባ ክልቲኣዊ ሽርክነት ንምምዝርራብ፡ ቻይና ክበጽሕ ፕረዚደንት ቻይና ቺ ጂን ፒንግ ከም ዝዓደሞ`ውን ተተሓሒዙ ዝመጻና ሓበረታ ጠቒሱ`ሎ። ብሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ ዝምራሕ ላዕላዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኤርትራ ዝፈጸሞ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%89%BB%E1%8B%AD%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8B%AD%E1%8D%8D%E1%8C%BD%E1%88%9D\/6383911.html"} {"headline":"ብሰንኪ ሕጽረት ቀረብን ዕጽዋን ህይወት ሰብ ይጠፍእ'ሎ ክብሉ ሓካይም ዓይደር ሆስፒታል መቐለ ሓቢሮም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ብሰንኪ መንግስቲ ንኣዋርሕ ዝገበሮ ዕጽዋ ዘስዓቦ ሕጽረት ቀረባት ስራሕና ምፍራም ወረቀት ምስክር ሞት ኾይኑ'ሎ ክብሉ ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከብ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ዝርከቡ ዶክተራት ገሊጾም። ብመሰረት ጸብጻብ ሮይተርስ ኣብቲ ሆስፒታል ብደብዳብ ነፋርት ተሃሪሙ ዝመጸ ቆልዓ ዶክተራት ብመትኒ ዝወሃብ መድሃኒት ስለ ዝተወድኦም እቲ ቆልዓ ብፍሰት ደም ክመዉት ከሎ ሓደ ህጻን ኸኣ ብሰንኪ ስእነት ፈሳሲ ዳይሊ ስስ ሞይቱ'ሎ። እቶም ሓኻይም ኣብቲ ንዓለምለኸ ትካላት ረድኤት ትማሊ ሰሉስ ዘቕረብዎን ናብ ሮይተርስ'ውን ዝለኣኽዎን ሰነድ ቀዳማይ ስራሕና ወረቀት ምስክር ሞት ምፍራም ኾይኑ'ሎ ኢሎም። እቲ ዝለኣኽዎ ሰነድ ዝርዝር ሕጽረት ቀረብ ዘለዎም መድሃኒታትን ቀረባትን ከምኡ'ዉን ስእልታት ዝቆሰሉን ጉድለት አመጋግባ ዘለዎምን ቆልዑ ዝሓወሰ'ዩ። እቶም ሓካይም ብሰንኪ ሕጽረት አድለይቲ መድሃኒትን ናውቲ ሕክምናን አጋጢሙ ዝበልዎ ሞትን ከም ከም ረኽሲ: ምቁራጽ ኣካላትን ሕማም ኩሊትን ዝበሉ ሕልኽላኻት ጠቂሶም ኣለው።ይኹን ደአ እምበር ዳርጋ መብዛሕትኦም መዓስ ከምዘጋጠሙ ዕለት አይጠቀሱን። ወሃቢ ቃል መንግስት ኢትዮጵያ ኣቶ ለገሱ ቱሉ ዝተገብረ ዕጽዋ የለን ንዝብል መርገጺ መንግስቲ ብሰኑይ ደጊሞሞ ለዉ። ብሓካይም ሆስፒታል ዓይደር ዝቀረበ ሕጽረታት ዝምልከት ካብ ሮይተርስ ዝቀረበሎም ሕቶታት ኣይመለሱን። ኣቶ ለገሰ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብዚ እዋን ንዘጋጥም ዘሎ ሓላፍነት ህወሓት'ዩ ኢሎም'ለዉ። ህወሓት ንኽልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ዝወረረሉ ካብ ብርክት ዝበላ ሆስፒታላትን 100 ማእኸላት ጥዕናን ናውቲን መድሃኒታትን ዘሪፎም'ዮም ክብል'ውን ኸሲሶም። ብዛዕባ'ዚ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕናን ወሃቢ ቃል ህወሓትን ምላሽ ንምርካብ ፈቲኑ ከምዘይረኸብ ዝሓበረ ሮይተርስ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ግን ህወሓት ነቲ ትካላት ጥዕና ዘሪፉ ዝብል ክሲ ነጺጉ'ዩ። ንመንግስቲ'ዉን ብሕጽረት ሰብኣዊ ቀረባት ኸሲሱ'ዩ ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%88%95%E1%8C%BD%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%88%A8%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%8B%95%E1%8C%BD%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%88%85%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%8B%AD%E1%8C%A0%E1%8D%8D%E1%8A%A5-%E1%88%8E-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%88%93%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%88%9D-%E1%8B%93%E1%8B%AD%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%88%86%E1%88%B5%E1%8D%92%E1%89%B3%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/6383855.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ኣብ ልዕሊ ናይ ኖርወይ ትካል ስደተኛታት ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳ ኣልዒላ","content":" ኢትዮጵያ: ኣብ ልዕሊ ናይ ኖርወይ ትካል ስደተኛታት ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳ ኣልዒላ። ናይ ኖርወይ ትካል ስደተኛታት ሰብኣዊ ስራሕቱ ከይዓይ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ተነቢሩዎ ዝነበረ እገዳ ምልዓሉ ብሰበስልጣን ኢትዮጵያ ከምዝተነግሮ ተሓቢሩ። ብዓልስልጣን ስቪክ ማሕበራት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ እዩ ነቲ ሰብኣዊ ትካል ምእጋዱ ዝፍለጥ ኮይኑ:ቦርድ ብዓል ስልጣን ስቪል ማሕበራት ኣብ ጥቅምቲ ነቲ እገዳ ብምንዋሕ ተወሳኺ ሕቶታት ሓቲቱ እቲ ሰብኣዊ ትካል ድማ ሽዑ ንሽዑ ምሉእን ቕልጡፍን መልስታትን መብርሂታትን ከምዝሃበ መግለፂ ናይቲ ትካል ይሕብር። እቲ ቦርድ 31 ታሕሳስ 2021 ነቲ እገዳ ኣልዒሉዎ ኣሎ። ዋና ፀሓፊ እቲ ትካል ጃን ኤግላንድ ‘’ሓገዝ ንዘድልዮም ብ ኣማ ኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ነቕርቦ ዝነበርና ሰብኣዊ ስራሕ ብግዚያዊነት ተቋሪፁ ዝነበረ ምልዓሉ እፎይታ ረኺብና ኣለና’’ኢሎም።ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ስደተኛታት፣ብግጭት ንዝተመዛበሉ ሰብኣዊ ስርሕና ንብዙሓት ዓመታት ክቕፅል እዩ ኢሎም። እቶም ዋና ፀሓፊ ናይቲ ትካል \"ኣብ 2021 ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ንልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ሰባት ክንበፅሕ ዘይምኽኣልና ዘሕዝን እዩ፤ሕጂ መሊስና ብምጅማር ማዕረ ቅድሚ እቲ እገዳ ንሕግዞ ዝነበርና ንምብፃሕ ግዜ ክወስድ እዩ፣ሰራሕተኛታትና ስኢና ኢና፣ዓለምለኸ ሰራሕተኛታትና ብቕልጡፍ ክምለሱ ፍቓድ ንደሊ ኢና’’ ኢሎም ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%96%E1%88%AD%E1%8B%88%E1%8B%AD-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%89%A2%E1%88%AB%E1%89%B6-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A5%E1%8C%88%E1%8B%B3-%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%8B%92%E1%88%8B\/6384118.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ኣብዓላ ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎምን ተመዛቢሎምን ተባሂሉ","content":"ሓይልታት ህወሓት ኣብ ክልል ዓፋር ከባቢ ኣብዓላ ፈኒዮምዎ ብዝበሉዎ መጥቓዕቲ ከቢድ ብረት ንምምዝባል ብዙሓት ኣሽሓት፣ንምጥፋእ ህይወት ስቪላትን ዕንወት ንብረትን ምኽኒያት ምዃኑ ኣብ ክልል ኣፋር ኣማሓዳሪ ዞባ ክልተ ገሊፆም።ክልል ትግራይ ወገኑ ልዕሊ 250 ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ኣብዓላ ተቐቲሎም፣ልዕሊ 900 ስድራታት ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ክብል መግለፂ ኣውፂኡ። ኣብ ክልል ዓፋር ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ክልተ መሓመድ ኢንድሪስ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ሓይልታት ህወሓት ናይ ትግራይ ጎረቤት ኣብ ዝኾነትን ካብ መቐለ ከባቢ 50 ኪሎ ሜትር ሪሑቓ ኣብ እትርከብን ኣብዓላ ቅድሚ ሰሙን ኣብ ዝኸፈቱዎ መጥቓዕቲ ብርክት ዝበሉ ሰባት ንከባቢኦም ገዲፎም ክመዛበሉ ከምዝተገደዱ ገሊፆም። ኣብ ከተማ ኣብዓላ በከቢድን ቀሊልን ብረት ዝተዓጀበ ውግእ ካብ ዝጅምር ልዕሊ ዓሰርተ ማዕልታት ከምዝገበረን ሕዚ እውን ከምዝቐዘለን ዝገለፁ ኣቶ መሓመድ ኣብ ልዕሊ ሰባትን ንብረትን ጉድኣት ወሪዱ ኣሎ ኢሎም።ሰባት ክሳብ በራሕለን ካልኦት ከባቢታትን ከምዝተመዛበሉ ገሊፆም። እታ ከተማ ኣዚያ ዝፀንሐት፣ናይ ንግድን ፖለቲካን ማእኸል ብምዃና ናይ ሰሜን ዓፋር ብዙሕ ህዝቢ ዝነብረሉ ብምዃኑ ብምሉኡ ልዕሊ 70,000 ህዝቢ ተመዛቢሉ ኣሎ ኢሎም።ኣብ ሰለስተ ናይ መዕቖቢ ማእኸላት ክዕቆቡ እናተሰርሐ ምዃኑ እውን ወሲኾም ገሊፆም። ሓይልታት ህወሓት ዝበሉዎም ኣብ ዝለዓለ ቦታ ኮይኖም ፈፂሞምዎ ዝበሉዎ ናይ ከቢድ ብረት መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ትካላትን ኣብያተ ፅሕፈት መንግስትን ኣገልግሎት ወሃብቲ ማእኸላትን ናይ ውልቂ ኣባይትን ጉድኣት ከምዝወረደ ተዛሪቦም። ካብ ሆስፒታል ጀሚሩ ክሳብ ናይ ውልቂ ክልኒክ ዝተረፈ የለን ዝበሉ ንሶም ‘’ቤተ ክርስቲያንን መስጊድን ከይተረፈ ኩሉ ዓኒዩ ክብሃል ይክኣል’’ ኢሎም። በቲ መጥቓዕቲ ንፁሃት ሰባት ግዳያት ምዃኖም ዝገለፁ ንሶም ሕዚ እውን እቲ ደብዳብ ከቢድ ብረት ስለዘሎ ንሰባት ምቕባር ኣይክኣልናን ቁፅሮም እውን ምፍላጥ ኣይንኽእልን ኢሎም።ብዛዕባ እዚ ካብ ሓይልታት ትግራይ ዝተውሃበ መልሲ የለን። ብኻሊእ ዜና ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ኣብዓላ ልዕሊ 250 ተወላዶ ትግራይ ብግፍዒ ተቐቲሎም ኢሉ።እቶም ግዳያት ብትግራዋይ መንነቶም ተፈሊዮም ተቐቲሎም ኢሉ እቲ መግለፂ።ልዕሊ 900 ምእቲ ስድራታት እውን ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣብ ትግራይ ወረዳ እንደርታ ከምዝርከቡ ገሊፆም። እዞም ዝተመዛበሉ ብዝዓበየ ዓበይቲ፣ደቂ ኣንስትዮን ህፃውንትን ምዃኖምን ብዘይ ምግቢ፣መዕቖቢ፣ኽዳንን መድሓኒትን ከምዝርከቡን በዝሖም ዘይፍለጡ ካልኦት ትግራዋይ መንነት ዘለዎ ተኣሲሮም ናብ ሰመራ ከምዝተወሰዱን ምናልባሽ እውን ብጭካነን ዘዋርድን ኣገባብ ተታሒዞም ክኾኑ ከምዝኽእሉን እቲ መግለፂ ይሕብር። እዚ መቕተልቲ፣ምብራርን ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ብኣጋጣሚ ዝፍፀም ከይኮነስ ብትእዛዝ ስርዓት ኣብይ ኢሉ ዝፀውዖ መንግስቲ ብሰበስልጣን ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ዝፍፀም እዩ ክብል እቲ መግለፂ ሓቢሩ።ኣብዚ ጭካነ ዝተመልኦ ተግባር ሓይልታት ኤርትራ ምስታፎም እውን ሓበሬታ በፂሑና ኣሎ ይብል እቲ መግለፂ። ኣብ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ብዝርከቡ ገለ ብሰበስጣን ዝተፈፀመ መንነት መሰረት ዝገበረ ግፍዒ ሰለዝኾነ ንተራ ዓፋረቶት ዒላማ ዝገበረ ሒነ ናይ ምፍዳይ መጥቓዕቲ ኣይንፍፅምን ዝበለ እቲ መግለፂ እቲ ሓላፍነት ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ኣዎል ኣርባን ደገፍቱን ክወድቕ ኣለዎ ኢሉ መገልፂ። መንግስቲ ትግራይ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ጃምላዊ መቕተልቲ ጠጠው ከብል፣ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ተታሒዞም ዝርከቡ ብምፍታሕን ኣብ ጃምላዊ ቕትለን ዝተሳተፉ ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ከቕርብን ብፅኑዕ ንሓታት ይብል መግለፂ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ትግራይ። ነዚ ናይ ክልል ትግራይ ዳሕረዋይ ክሲ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋርን ፌደራል መንግስቲን ከምኡ እውን ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝተውሃበ ሪኢቶ የለን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/hundreds-are-reportedly-killed-thousands-fled-in-the-town-of-abala-afar-region\/6382445.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕጡቓት ሸኔ ዝበሎም ካብ ምብራቕ ወለጋ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ምዝንባሎም ሓቢሩ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕጡቓት ሸኔ ዝበሎም ኣብ ምብራቕ ወለጋ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣፈናቒሎም ኢሉ። ኣብቲ ኣብ ምብራቕ ወለጋን ዞባታት ሆራ ጉዱሩን ዝተፈጸመ መጥቃዕትታት ጽንፋውያን ኣምሓራ ዝበሎም`ውን ኢድ ከምዘለዎም ጠቒሱ`ሎ። ካብ መንጎ`ቶም ዝተፈናቐሉ ገሊኦም ንወታሃደራት መንግስቲ ንዕጡቓት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ንሚልሻታት ፋኖን በቲ መጥቃዕቲ ይኸሱ። ካብ`ቶም ንባዕሎም ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኢሎም ዝጽውዑ ኮነ ካብ `ቶም ካልኦት ዝተሰምዐ ምላሽ የለን። ምኽትል ኮሚሽነር ምክልኻል ሓደጋ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ገረሙ ኦሊካ ኣብ ምብራቓዊ ወለጋ ጥራሕ ልዕሊ 193 ሺሕ ሰባት ምፍንቓሎም ብምጥቃስ ህጹጽ ረድኤት ብምሃብ ንክምለሱ ይሰርሑ ከምዘለዉ ሓቢሩ`ሎ። ሓላፊ ኮሚኒኬሽን`ቲ ኽልል፡ እቲ ጅምላዊ ምፍንቓል ድሕሪ ምርግጋጽ መንግስቲ ኣንጻር`ቶም ዕጡቓት ስጉምቲ ይወስድ ከምዘሎ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%88%B8%E1%8A%94-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%89%95-%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8C%8B-%E1%89%A5%E1%8B%93%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%BD%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%91%E1%8C%B8%E1%88%A9-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6382356.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝነበረ ኲናት ዝበጽሐ ጉድኣት ዝምርምር ግብረ ሓይሊ ስርሑ ምጅማሩ ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ህወሓት ተቆጻጺርዎም ኣብ ዝነበሩ ሸውዓተ ዞባታትን ሓደ ናይ ከተማ ምምሕዳርን ንዝወረደ ጉድኣት ብሳይንሳዊ መንገዲ ዘጽንዕ ግብረ ሓይሊ ሰብ ሞያ ስርሑ ጀሚሩ ክብል መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ። ብደረጃ ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ኣተሓባባሪ ማሕበራዊ ክላስተር ዝኾኑ ኣቶ ስዩም መኮነን ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ወራሪ ትግራይ ክብሉ ዝጸውዕዎ ሓይሊ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተቆጻጺርዎ ኣብ ዝነበሩ ሸውዓተ ዞባታትን​ ሓ​ንቲ ናይ ከተማ ምምሕዳርን ኣብ ሰብኣዊ ማሕበራዊ ንዋትን መሰረተ ልምዓት ክብርታት ባህልን ሃይማኖትን ጉድኣት ኣውሪዱ'ሎ። ነቲ ዝወረደ ጉድኣት'ዉን ብሳይንሳዊ መንገዲ ዘጽንዕ ግብረ ሓይሊ ሰብሞያ ናብቲ ቦታ ከይዱ ስርሑ ጀሚሩ'​ሎ ኢሎም። ኣብ ኹሉ ቦታ ዘተኣማምን ጸጥታ ኣሎ ዝበሉ በዓል ስልጣን ክልል ኣምሓራ ኣቶ ስዩም መኮነን ነቲ ዝወረደ ጉድኣት ክፈልጡ ዝደልዩ ዓለምለኸ መሓውራት ዜናን አባላት ማሕበረሰብ ዳያስፖራን ከይዶም ክርእዩ ይኽእሉ እዮም: መዕርፎ ነፈርቲ ላሊበላ'ዉን ስርሑ ሎሚ ጀሚሩ'ሎ ምባሎም ተሓቢሩ'ሎ።​\\n​ ​","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%8C%BD%E1%88%93-%E1%8C%89%E1%8B%B5%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%9D%E1%88%AD-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%91-%E1%88%9D%E1%8C%85%E1%88%9B%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6380137.html"} {"headline":"ናብ ሃገሮም ዝኣትዉ ዘለዉ ኢትዮጵያዊያን ብተወሳኺ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት'ውን ናብ ኢትዮጵያ ይኣትዉ ምህላዎም ተገሊጹ","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ንዘቕረቡዎ መጸዋዕታ ተቐቢሎም ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ'ውን ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ምጅማሮን ዳያስፖራ ኢትዮጵያውያን'ዉን ምእታዎም ቀጺሎም'ለዉ። ሎም መዓልቲ ነቲ መጸዋዕታ ዝተቀበሉ ውልቀ ሰባት ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣተዉ ክኾኑ ኸለዉ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያን ዳያስፖራ'ውን ብብዝሒ ናብ ኢትዮጵያ ምእታዎም ቀጺሎም'ለዉ። ካብ መንጎ እቶም ዝኣተዉ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኣብ ማሕበረሰባዊ ንጥፈታት ዝነጥፍን ንምስፋን ማሕበራዊ ፍትሒን ፓን ኣፍሪካንዚም ብምስጓም ዝፍለጥ መንእሰይ ታንታ ላክሰንን ጉጅለኡን ይርከብዎም። ታንታ ላክሰን ናብ ኢትዮጵያ ዝመጸሉ ምኽንያት ነቲ መንእሰይ ንምንቃሕ እዩ ክብል ንሪፖርተር ድምጺ ኣመሪካ ካብ ኣዲስ ኣበባ ገሊጹ'ሎ። ሎሚ ኣዲስ ኣበባ ካብ መንጎ ዝኣተዉ ዳያስፖራ ኢትዮጵያውያን ካብ ዋሽንግቶን ዲሲ ዝኸዱ ከምዝርከብዎምን ኣብ ቦሌ መዕርፎ ነፈርቲ ተረኺቦም ዝተቀበልዎም ኸኣ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝመጹ ምንባሮም ተሓቢሩ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%8D-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8E%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B3%E1%8A%BA-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A6%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%AD%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%8D-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6379906.html"} {"headline":"ኵነታት ትግራይ ካብዚ'ኸ ናበይ?","content":"ድሕሪ ምንስሓብ ሰራዊት ትግራይ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን እቲ ዝቕጽል ምዕራፍ‘ከ እንታይ‘ዩ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ክዛተዩ ዶክተር ሙሉጌታ ገብረዝጋብሄር ካብ ኣመሪካን ዶክተር ጌታቸው ኣሰፋ ካብ ካናዳ‘ዮም። ንምክትታሉ መላግቦ ሰዓቡ። በትረ ስልጣን እዩ ኣዘራሪብዎም። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/situation-of-tigray-what-is-next-mulugeta-gebrezgiher-getachew-assefa\/6379690.html"} {"headline":"ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ ሰብ ሞያ ከምዝቖጽር ኣፍሊጡ","content":"ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ካብ ስሩዕ ናይ መንግስቲ ምቑፃር ሰራሕተኛታት ወፃኢ ልዕሊ 6,000 ሰብ ሞያ ሕክምና ንምቁፃር ምድላዋ ኣፍሊጣ። ኣብታ ሃገር ካብ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ ብርክት ዝበሉ ሰብ ሞያ ሕክምና ካብ ስራሕ ወፃኢ ኮይኖም ከምዝርከቡ መረዳእታታት ይሕብሩ። ኣብዚ ሓዱሽ ናይ ኣውሮጳዊያን ዓመት 2022 ካብ መሻርኽቲ ትካላትን ፌደራል መንግስትን ብዝተረኸበ ገንዘብ ሓደሽቲ ተመረቕቲ ሓካይም ናብ ስራሕ ንምውፋር ይስራሕ ከምዘሎ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ ኣሎ። ዕላማ ናይዚ መደብ እቲ ሕብረተሰብ ፅፈቱ ዝተሓለወ ኣገልግሎት ጥዕና ክረክብ ብብዙሕ ወፃኢ ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ከይባኽን እዩ ክብላ ሚንስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%BD%E1%89%B2-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%9E%E1%8B%AB-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%96%E1%8C%BD%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6377268.html"} {"headline":"ደስታ [ርእሶም] ሃይለ፤ ነቲ ሽሮ ጠስሚ ወረሮ","content":"ጓሉ ንህቡብ ገጣሚን ተሸላሚ ስነ-ጽሑፍ ራይሞክን (1998) ዶክተር ርእሶም ሃይለ ዝዀነ ደስታ ሃይለ፡ ኣብ ብዙሕ ወገናት ኣሰር ኣቦኣ ሒዛ ዘላ ስነ-ጥበበኛ’ያ። ንደስታ ብዛዕባ ጽልዋ ኣቦኣ፡ ስራሓታን ካልእ ኣርእስታትን ኣዘርሪብናያ ኣሎና። ሕቶ፤ ምስ ጓል ዘፍቅሮ ገጣሚ ርእሶም ሃይለ ክውግዕ ዕድል ምርካበይ እናመስገንኩ፡ ንምጅማር ክዀነና፡ “ደስታ” ዝብል ብኸመይ’ዩ ውጺኡልኪ? ደስታ ሃይለ፤ ደስታ ከምቲ ሰማዕቲ ክግምቱዎ ዝኽእሉ፡ እቲ ስም ሓጎስ ዘመልክት’ዩ። እቲ ስም ከኣ ንኽብሪ ደስታ ባይሩ፡ ማለት ማማ ደስታ ዝወጸ’ዩ። ደስታ ከሻኒት ዝነበረት’ያ። ከም ዝመስለኒ ኣብቲ እዋን’ቲ--ኣብ 197ታት ምዃኑ’ዩ--ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ንዝነበረ ኣምባሳድር ኢትዮጵያ’ያ መግቢ ተዳሉ ነይራ። ዳሕራይ ክግንዘቦ ከም ዝኸኣልኩ፡ ማዕጾ ገዛኣ ክፉትን ወትሩ ኣጋይሽ ምስ ተቐበለትን’ያ። ነቶም ናብ ኣመሪካ ዝመጹ ኤርትራያን--መብዛሕትኦም ዘለዎም ዘይብሎምን ቋንቋ እንግሊዘኛ’ውን ንምዝራብ ዝጽገመኡን--ጽላል’ያ ነይራ። ገለ ካብኣቶም በዓል ኣቦይ’ዮም። ግቡእ ክንክን ከም ዝረኽቡን ከም ዘይጋየሹን ክትገብሮም ክኢላ’ያ። ከም ዝመስለኒ ከኣ ኣብ ልዕሊ ኣቦይ ዓቢ ጦብላሕታ ስለ ዘሕደረት ብስማ ክጽዋዕ መሪጹ። እዚ ስም ካልእ ምትእስሳር’ውን ኣለዎ። ዳሕራይ ብፈለጥቱን መምህርቱ ዝነበሩን፣ ብቐንዱ ከኣ ካብ እዋን ተመሃራይ ኣብ ኮምቦኒ ኣስመራ ከሎ ዝገዝኦ ዝነበረ መጽሓፍቲ፡ ቀጻሊ፡ “ተደሰቱ”፡ “ተሓጐሱ” እናበለ’ዩ ዝፍርም ነይሩ። ሓጐስን ደስታን ቀንዲ ኣዕኑድ ኣቦይ ስለ ዝነበራ ከኣ’የ መስለኒ በዚ ስም’ዚ ክጽዋዕ ተመሪጸ። ሕቶ፤ ንደስታ ብኣካል ረኺብክያ ትፈልጢ’ዶ? ደስታ ሃይለ፤ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ኣይረኸብኩዋን። ኣብ 2020 ማዩክ ሰን ኣብ ቮክስ (Vox.com) ኣዝዩ ጽቡቕ ጽሑፍ ብዛዕባኣ ጽሒፉ ነይሩ። እቲ ጽሑፍ ዝግበኣ ክብሪ ዝህብን ዝገበረቶ ኣበርክቶ ዝስንድን’ዩ። ደስ ዝብል ጽሑፍ’ዩ ነይሩ። ገለ ስእልታት ርእየ ነይረ። ክሳብ’ቲ ዝሓልፈ ዓመት ኣብ ቮክስ. ዝወጸ ጽሑፍ ግን ብዛዕባ እኹል ኣፍልጦ ነይሩኒ ክብል ኣይክእልን። ሕቶ፤ ብዛዕባ መንነትኪ ክሓተኪ። ኣቦኺ ኤርትራዊ’ዩ ኣደኺ ድማ እንግሊዛዊት፡ ኣብ ብዙሕ ዓድታት’ውን ተቐሚጥኪ ኣለኺ። ደስታ ክትብሃል ከላ’ስ መን’ያ? ደስታ ሃይለ፤ ዝተሓላለኸ ነገር’ዩ። ንምሕጻር ዝኣክል ብዙሕ ግዜ ፍርቂ ኤርትራዊት ፍርቂ ከኣ እንግሊዛዊት እየ ዝብል--ስድራይ ካብኡ ስለ ዝዀኑ። እቲ ነገር ግን ኪንዮኡ ዝተጠናነገ’ዩ። ኣብ ታይላንድ ተወሊደ፡ ኣብ በርበዶስ ዓብየ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኣይቨሪኮስት፡ ጆርዳን ብንእሽቶይ ተቐሚጠ። ስለዚ ከሕጽሮ ኢለ ጥራይ ኤርትራዊት-እንግሊዛዊት’የ እብል። ስድራይ ግን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ቦታታን ተቐሚጦም’ዮም። ክሳብ ሕጂ ኣብ ዓሰርተ ሃገራት ተቐሚጠ ኣለኹ። እዚ ከኣ ኣብ ስራሓተይ ኣተሓሳስባይን ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ ኢለ እኣምን። ሕቶ፤ ንስኺ ጓል ዓቢን ፍሉጥን ገጣሚ ርእሶም ሃይለ ኢኺ። ጽልዋ ናቱ ኣብ ስራሕኪ ከመይ ይመስል? ደስታ ሃይለ፤ ኣብ ቃላት ከተቐምጦ ብሓቂ ከቢድ’ዩ። ከም ዝመስለኒ ግን እቲ ዝዓበየ ጽልዋኡ ኣብ ልዕለይ ግን ደጋጊሙ ከም ዘፍቅረኒ፣ በላሕ ምዃነይ ክነግረኒ፣ ኣብ ዝሓዝኩዎ ነገር ክፍጽሞን ጽቡቕ ክዓዮን ዓቕሚ ከም ዘሎኒ ከረጋግጸለይ ምኽኣሉ’ዩ። እዚ ዓይነት ምትብባዕ ድማ ፈታሺን ሓታቲን ባህሪ ክህልወኒን ከይፈራሕኩ ክፍትንን ኣኽኢሉኒ ይመስለኒ። ኣቦይ ወትሩ ፍሱህ ሰብ’ዩ ነይሩ። ሰሓቕን ጸወታን ኣየቋርጽን፡ ኵሉ ግዜ ከኣ ምስ ፈጠራይ’ዩ ዝነብር። ፈጣራይ ጥራይ’ውን ኣይኰነን፡ ዋላ ኣገላልጻኡ’ውን ወትሩ ፍሉይነቱ ዘንጸባርቑ’ዮም ነይሮም። ሓደ ካብቲ ሓድግታት ኣቦይ ኣብ ዘለኻዮን ዝመረጽካዮን ዓውዲ በሊጽካ ክትውጽእ’ዩ ዝደሊን ዝደፍእን። ነ’ቦይ ኣብ በበይኑ ገጻት ርእየዮ እኳ እንተ ነበርኩ፡ እቲ ኣዝዩ ዝፍስሃሉ ግዜ ግን ግጥሚ ከንብብ እንከሎ’ዩ ነይሩ። ከመይ ይስምዖ ከም ዝነበረ ክንገረኒ’ውን ኣየድለዮን። ክገጥም እንከሎ ክዕዘቡ እንከለኹ ግን ኣብ ፍሉይ ዓለም ከም ዝኣቱ ክርዳእ ኣይጸገመንን። ሕጂ’ውን ብቓላት ክትገልጾ ኣዝዩ ከብዲ’ዩ። ግጥምታቱ ከንብብ እንከሎ ዘርእዮ ዝነበረ ፍሉይ ፍስሃ ግን ካብቲ ኣዝዩ ዝሕጐሰሉ እዋናት ምንባሩ ክርድእ ክኢለ። ክገጥምን ብዛዕባ ዓዱ ዘለዎ ፍቕሪን ክርእዮ እንከለኹ ድማ ዘይሕከኽ ጦብላሕታ ሓዲጉለይ። ሕቶ፤ ብህይወት እንከሎ ግጥሚ ወይ ካልእ ስነ-ጥበባዊ ስራሕ ትሰርሒ ኔርኪ’ዶ? ደስታ ሃይለ፤ ኣቦይ ክመውት እንከሎ’የ 18 ዓመት መሊአ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ባህላዊ ስራሓት እነጥፍ ነይረ። ጓል 10 ወይ 11 ዓመት እንከለኹ፡ ንዕኡ ዝገጠምኩዋ ግጥሚ ከንብበሉ ይዝከረኒ። እታ ህሞት’ዚኣ ኣቦይ ክነብዕ ንፈለማን መወዳእታን እዋን ርእየዮ። ሓንቲ ንጣብ ንብዓት ኣብ ገጹ ነይራ። ብዙሕ እዋን ሰብኡት፡ እሞ ከኣ ኤርትራውያን ሰብኡት ክነብዑ ኣይትርኢን ኢኻ። ስለዚ እዚኣ ሓንቲ ካብተን ጦብላሕታ ዝገዳፋለይ እዋን’ያ ነይራ። ሙዚቃ ብሞያዊ ዓይኒ ክጻወቶን ኣዕቲበ ክሕዞንን ዝጀመርኩ ግን ምስ ሞተ’ዩ። ካብ ቀደሙ ግን ቀጻሊ ዘተባብዓኒ ሰብ’ዩ ነይሩ። ናብ ብዙሕ ባህላዊ ምርኢታት ብሓንሳብ ኬድና ኣሎና። ካብ 14-15 ዓመታት ኣትሒዘ ክርእዮ ንዝደለኹ ነገራት ቀጻሊ የሰንየኒ ነይሩ። ሙዚቃ ድዩ ወይስ ካልእ ኣጋጣሚታት ወትሩ ምሳይ ይመጽእ ነይሩ። ፍሉይ ናይ ሙዚቃ ምስትምቓር ነይሩዎ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ’ውን ኣብ 1960ታት D.J.’ዩ ነይሩ። ኣብ ረድዮ ኢትዮጵያ’ውን ይሰርሕ ነይሩ። ኣብኡ ንብዙሓት ሙዚቀኛታት’ውን ቃለ-መሕተት ኣካዪዱ’ዩ። ኣቦኡ--ብቐሺ ዝዓበየ ኰይኑ--ሙዚቀኛ ምንባሩ’ውን ኣብ ቀረባ ግዜ ፈሊጠ። ስለዚ ሙዚቃ ኣብ ደሙ’ዩ ነይሩ። ስለዚ ከኣ ኣነ ኣብ ሙዚቃ ክኣቱን ብሞያ ደረጃ ክሕዞን ዘየቋርጽ ምትብባዕ ነይሩዎ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝገብሮ ዝነበርኩ ንጥፈታት ቀጻሊ ኣብ ጎነይ ነይሩ። ፈለማ ዝጸሓፍኩዋ ግጥሚ’ውን ኣንቢቡዋ’ዩ። ናይ ፈለማ ብሞያ ሒዘ ዝገበርኩዎ ሙዚቃዊ ምርኢት ግን ሽዱሽተ ወርሒ ድሕሪ ሞቱ’ዩ ነይሩ። ሕቶ፤ ብዛዕባኺ’ውን ግጥሚ ጽሒፉ ነይሩ “ደስታ” እትብል። ነታ ግጥሚ ኣንቢቡልኪ ይፈልጥ’ዶ? ደስታ ሃይለ፤ እወ ግድን እምበር። ንፈለማ እዋን ንኤርትራ ሒዙኒ ዝኸደ ጓል ሽዱሽተ ዓመት እንከለኹ’ዩ መስለኒ። እቲ ጕዕዞ ስድራቤቱ ምርካብ፡ ኣበይ ከም ዝተወልደን ዝዓበየን ምርኣይ፡ ንኣፈልባን ምጽዋዕን ምብጻሕ ኮታስ ካብቲ ዘይርስዖ እዋን’ዩ ነይሩ። ሕቶ፤ ብዛዕባ ኣቦኺ ዝፈልጥ ውሑድ’ዩ ዝፍለጥ’ሞ ቍሩብ ክትነግርኒ። ከም ኣቦ--ኣብ ገዛ--ከመይ’ዩ ነይሩ? ደስታ ሃይለ፤ ሕጂ’ውን ከምቲ ዝቐደመ ብቓላት ከተቐምጦ ቀሊል ኣይኰነን። ግን ሓጐስ ዝፈቱን ወትሩ ሕጕስን ሰብ’ዩ ነይሩ። ኣብ ቀጻሊ ፈጠራ ዝነበር ሰብ። ዝያዳ ኵሉ ግን ንፉዕ ከሻኒ’ውን ነይሩ። መሓዝቱይ ኣዝዮም’ዮም ዝፈትዉዎ ነይሮም። ደስ ዘብል እካቦ መጽሓፍቲ’ውን ነይሩዎ። ንዓይ ሕጂ ሓጎስ ዝፈጠርለይ፡ ኣካቢ ስራሕት ስእሊ’ውን ነይሩ። ሓሳባቱ ኣጸቢቑ ክገልጽ ዝኽእል ሰብ’ዩ ነይሩ። ክትገልጾ ከቢድ’ዩ። እቶም ዝፈልጡዎ ግን ወይ ኣጸቢቖም ዝፈትዉዎ ወይ ድማ ዝጸልኡዎ’ዮም ነይሮም። ፈለጥቱ፡ ብዛዕባኡ ማእከላይ መርገጺ ኣይነብሮምን። ወይ ዘምልኹዎ ወይ ድማ ዝጸልኡዎ’ዮም። ንሱ ግን ሰባት ብዛዕባኡ እንታይ ኢሎም ዝገድሶ ሰብ ኣይነበረን። ወትሩ ሕጕስ’ዩ። ንዓይ ኵሉ ነገር’ዩ ነይሩ። ኣዝዩ ፈቃር፡ ኣዝዩ ፈጠራዊ.. ብቐንዱ ግን ከምዚ ዘለኹዎ ንክኸውን ዓቢ ተራ ዝተጻወተ ሰብ’ዩ። ሕቶ፤ ስራሓቱ ንምዕቃብ ትገብርዮም ንጥፈታት ኣሎ ዲዩ ሕጂ? ደስታ ሃይለ፤ ኣብ 1970ታት ዝጸሓፋ ቴማ ነይራ፡ ኣብዚ ናይ ውሸባ እዋን ረኺበያስ ንማሕተም ኣብቂዐያ። እዛ ጽሕፍቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ብሪትል ፐፐር (Brittle Paper) ኢያ ተሓቲማ። ምስ ማርኬት 54 ግጥምታቱ ናብ ዝሰፍሐ ተኸታታሊ ንምብጻሕ ዘርጊሕናዮ። መጽሓፍቱ ሰብ ብናጻ ከም ዳልዩ ኣራጊፉ ንኸንብበን’ውን ጽዒነየን። ግጥምታቱ’ውን ኣብ ሳውንድ-ክላውድ ገይረ ሰማዒ ብናጻ ክረኽቦ ከም ዝኽእል ገይረ ዘርጊሐዮ ኣለኹ። ብዛዕባኡ ክገብሮ ዝደሊ ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ። ሓደ ካብኡ ኣብ ኣስመራ፡ ብስሙ ዝጽዋዕ ቤት ትምህርቲ ክኸፍት ምደለኹ። ሓደ መዓልቲ ንኽብሪ ኣደኡ--ኣኽብረት-- ማህደረ-ትምህርቲ ክጅምር ምፈተኹ። ኣደኡ’የን ኣብ መበል 15 ዓመተን ፊደላት ዘቝጽሮ ቀሺ ረኺበን ህይወቱ ንዅሉ ግዜ ከም ዝቕየር፣ ብእኡ ኣቢሉ’ውን ህይወተይ ከም ዝቕየር ገይረን። ስለዚ ኣደይ ኣኽበረት ነቦይ ደኣ የምህራ እምበር ባዕላተን ንምህርቲ ዕድል ስለ ዘይረኸባ ንኽብረን ዝኸውን ማህደረ-ትምህርቲ ክጅምር እሕልም። ኣቦይ’ውን ነዚ ኣጸቢቑ ተረዲኡዎስ ከም ዝመስለኒ’ውን ቀዳማይቲ መጽሓፉ ነደኡ’ዩ ወፍዩዋ። ኣቦይ ኣብ ብዙሕ ዓይነታት ስራሕ ከም ምምሃር፡ ምኽሪ ምሃብን ካልእያብ በበይኖም ዕዮታት ይንጠፍ ደኣ’ምበር፡ እቲ ኣዝዩ ዝሕጐሰሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ናይ ፈጠራ ዓለም’ዩ። ንፈጠራዊ ዕዮ ግዜ ምሃብ’ውን ምሂሩኒ’ዩ--ነዚ’ውን ብገለ መገዲ ዝግበኦ ክብሪ ክህቦ እፈቱ። ሕቶ፤ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተኸይደ ክልተ ውድድራት ስነ-ጽሑፍ ተዓዊትኪ ኔርኪ። ሓደ ካብኡ ብኤርትራዊ-ኢትዮጵያዊ-እንግሊዛዊ ሱሌማን ኣዶንያ ዝተደለወ ክኸውን እንከሎ ካልኣይ’ውን ነይሩ። ብዛዕባ’ቲ ዝተዓወትኩሉ ውድድር’ዶ ክትነግርኒ? ደስታ ሃይለ፤ እታ ቀዳማይቲ “To Speak Europe in Different Languages” (“ንኤውሮጳ ብሓያሎ ቋንቋታት ምዝራብ”) ብዝብል ብሱሌማን ኣዶንያ ዝተወሃሃደሞ ብኤውሮጳዊ ባህላዊ ማእከል ዝተመወለ’ዩ ነይሩ። ቅድሚኡ እዋን ዝዀነ ጽሑፍ ንውድድር ሰዲደ ኣይፈልጥን’የ ነይረ። ሽዕኡ ግን ግዜ ውሸባ’ዩ ነይሩ፡ ካልእ ብዙሕ ዝገብሮ ንጥፈታት’ውን ኣየንበረን። ስለዚ ዘይፍትን’ከ ኢለ ነቒለ። እቲ ዛንታ ምስ ሓትነይ ዝተኣሳሰር’ዩ ነይሩ። ኣነ ብህይወት ኣየርከብኵላን ገና ብሸዓኡ ብሕማም መንሽሮ’ያ ኣብ 1960ታት’ያ ዓሪፋ። ግን ሓደ ድንቂ ዝዀነ ናይ መሬት ጕዕዞ ካብ ዓዲ-እንግሊዝን ንታህራን ኢራን ምስ መሓዛኣ ኣካዪዳ ነይራ። እቲ መገዲ እሞ ከኣ ክልተ ኣንስቲ ኣብ 60ታት ከምኡ ዝመስል ዕዉትን ፍሱህን ጕዕዞ ከካይዳ ንባዕሉ ዘቕንእ’ዩ። ኣብ መገዲ ዝተዓዘብኦ ብዙሕነት ባህሊ፡ ዝረኸበኦም ሰባት፡ ህዝብታት ወዘተ. ተዘካሪ’ዩ ነይሩ። ሓትኖይ’ውን ስነ-ጥበበኛ’ያ ነይራ። ዝገርመካ ብኽልተ ወገና ስድራይ ናይ ኤርትራን ዓዲ-እንግሊዝን ካብ ሓረስቶት ስድራቤት’ዮም። ስለዚ ከኣ ነቲ ጕዕዞ ብዝተፈልየ መነጸር’ያ ርእያቶ። ደቂቕ ምስትውዓል ነይሩዋ። ስለዚ ከምቲ ኣርእስቲ ናይታ ጽሕፍቲ ዝሕብሮ “ካብ ዮርክ ንቴህራን” ብዝብል ኣብ መዘከራ ተመርኲሰ ጽሒፈ። እቲ ዝወሰድኩዎ ኵርናዕ ነቲ ኣብ እዋኑ ዝገበረኦ ጕዕዞ ብናይ ሕጂ መነጸርን ሰሌዳ ግዜን እናረኣኹ’ዩ። ብዓወት እቲ ቀዳማይ ውድድር ኣዝየ ስለ ዝተተባዕኩ ድማ ናብቲ “ኣፍሪ-ቶንዶ” (Afritondo) ዝተሰየመ ካልኣይ ውድድር ክሳተፍ ድፍኢት ረኺበ። ኣፍሪቶንዶ ናይ ናይጀሪያ ኣሕታሚ ትካል’ዩ። ብዙሕ ዘይንገሮ ዛንታታት ይዓጅበኒ’ዩ። ኣጋጣሚ ኰይኑ ኢትዮጵያውያን-ኵባውያን ረኺበ። ድሕሪኡ ቍሩብ ምስ ፈተሽኩ ከመይ ኢሎም ዘኽታማት ኢትዮጵያውያን ህጻናት ኣብ 1970ታት ናብ ኵባ ይመጹ ከም ዝነበረ ክፈልጥ ክኢለ። ነቲ ታሪኽ ብጥረኡ ክትስንዶ ቀሊል እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ግን ባህሊ ሓበሻን ኲባን ክራኸብ ከሎ እንታይ ይመስል ኢለ ክሓስብ ጀሚረ። ባህሊ ኵባ ድማ ብዝተፈላልየ እዋን ገለ መልክዑ ተጨሊፉ ክፈልጦ ዕድል ገይረ ነይረ። ገለ ካብኡ ብመገዲ ኣቦይ ዝሰምዖ ዝነበረ ሙዚቃ ኲባ ክኸውን እንከሎ፡ ኣነ ባዕለይ’ውን ናብ ኲባ በጺሐ ነይረ። ስለዚ ነዚታት ዝሓዋውስ ኣድማስ ፈጠራ’የ ኣቐሚጠ። ቀደመይቲ ግጥመይ’ውን እዚ ዓመት’ዚ ተሓቲማ ኣላ። ስለዚ ምስጋና ንውሸባ 2020 ኣዕቲበ ክጽሕፈሉ ዝጀመርኩ ግዜ’ዩ። ሕቶ፤ ካልእ ከሓተኪ ዝደለኹ፡ ደራፊት ኢኺ፡ ገጣሚት ኢኺ፡ ኣብ በበይኑ መድረኻት ኣቕራቢት ኢኺ። ሙዚቃ ንማሕበራዊ ፍወሳ ከም እትጥቀምሉ’ውን ሰሚዐ ኣለኹ’ሞ ብዛዕባኡ ቍሩብ ክትነግርኒ እንተ ትኽእሊ? ደስታ ሃይለ፤ ፈጠራዊ ስራሕ ብዝተፈላለየ መገዲ ክመጽእ ከሎ ሓጐስ’ዩ ዝፈጥረለይ። እዚ ብመገዲ ሙዚቃ ክኸውን ይኽእል፡ ገለ ካብ ኣባላት ስድራቤትይ’ውን ኣለዉ፡ ብስእሊ ዝገልጹ። ኣነን ኣቦይን ብስእሊ ሓሳባትና ንምግላጽ ሕማቓት ስለ ዝነበርና፡ ካልእ መገዲ ከነናዲ ተገዲድና። ስለዚ፡ ኣብ ውሽጢኻ ጻውዒት ፈጠራ እንተሎ ከተውጽኦ ኣሎካ። እቲ ፈጠራዊ ስራሕ ንመን ከም ዝፍውስን ተስፋ ዝዘርእን’ውን ኣይትፈልጦን ኢኻ። ኣብ ህይወተይ ካብ ዝገጠሙኒ ኣዝዮ ዝፈትዎም ሰባት ገሊኣቶም ብመገዲ ሙዚቃ ዝረኸብኩዎ’ዮም። ስለዚ ኣነ’ውን ናብ ካልእ ከባጽሖ ጽውዒትን ሓላፍነትን ዘሎኒ መሲሉ ይስመዓኒ። ሙዚቃ ህይወተይ ኣጸቢቑ የሀብቲሙ’ዩ። ስለዚ ኣብ ሰሙን ንዕኡ ዝኸውን ግዜ እፈሊ። ስነ-ጥበብ ብዓቢኡ ንፍወሳ መሪሕ ተራ ከም ዘለዎ’ዩ ዝኣምን። ክሳብ ቀረባ እዋን ንውድድርን ንህዝቢ ዝዝጋሕ ጽሑፍን ደኣ ኣየበርክት እምበር፡ ገና ካብ ጓል 6 ዓመት ኣትሒዘ’ውን ዕለታዊ መዝገብ እጽሕፍ ነይረ። ስለዚ ናይ 30 ዓመታት ዕለታዊ መዝገብ ምጽሓፍ ማለት’ዩ። እዚ ከኣ ኵሉ ግዜ ሓጐስ ዝፈጠረለይ’ዩ። ኪንዮ’ውን ብጥዕና ክነብር ዝሕግዝ’ዩ። ሕቶ፤ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሮያል ኣፍሪካን ሶኣይቲ (Royal African Society) ከም ምኽትል ዳይረክተር ኴንኪ ትሰርሒ ኣለኺ። ኣብኡ እንታይ ዓይነት ስራሓት ኢኺ ትሰርሒ? ደስታ ሃይለ፤ ሮያል ኣፍሪካን ሶሳይቲ (Royal African Society) ቅድሚ ከባቢ ዓሰርተ ዓመታት ኣቢለ ናብ ሎንዶን ብቐረባ ክፈልጦ ዝኸኣልኩ ትካል’ዩ። ሮያል ኣፍሪካን ሶሳይቲ ክልተ ዓበይቲ ፈስቲቫላት ይምውል። እቲ ሓደ “Africa Writes”ዝብል ብዛዕባ ስነ-ጽሑፍ ኣፍሪቃ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ “Film Africa” ዝተባህለ ኰይኑ ብዛዕባ ፊልምታት ኣፍሪቃ ዝግደስ’ዩ። ብዘይካ’ዚ ብዙሕ ተወሳኺ ንጥፈታት ኣሎ፤ ገሊኡ ናይ ንግዲ፡ ገሊኡ ናይ ትምህርቲ መደባት’ዩ። ንፖለቲካ ኣመልኪቱ ዝዓዪ ኣካል’ውን ኣሎ። እዚ ክብለካ እንከለኹ ግን ንእሽቶ ትካል’ውን’ዩ። ሸሞንተ ሰባት ጥራይ ኢና ብምሉእ ግዜና እንሰርሕ። እዚ ክብለካ ከለኹ ግን ዕቱብን ጽፉፍን ትካል’ዩ። ሕጂ ልዕሊ 120 ዓመታት ኣቝጺሩ ኣሎ። እቲ መሰረታዊ ዕላማኡ ግን ንኣፍሪቃውያን ድምጺ ምሃብን፡ ነቲ ኣህጉር ኣተኵሮ ምግባርን’ዩ። ኵሉ ኣብ ዙርያ ኣፍሪቃ’ዩ ዝዓዪ። ንዓዲ-እንግሊዝን ኣፍሪቃን ድማ ብዝተፈለልየ መገዲ ከራኽብ ይፍትን። ስለዚ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣቢለ፡ ኣብ ከምዚ ዝመስል ትካል፡ ናይ ምኽታል ዳይረክተር ቦታ ምርካበይ ዓቢ ዕድል’ዩ። እቲ ናተይ ተራ ከኣ ስትራጂ እቲ ትካል ምውጻእን ምስቶም ኣብኡ ዝዋስኡ ኣካላት ምውህሃድን’ዩ። African Arguments ዝብል መርበብ ሓበሬታ ኣሎና፡ እቲ ዝጠቐስኩዎ ፈስቲቫላት’ውን። ስለዚ ነዚን ካልእን ዝኸውን ገንዘብ ምድላያን ምስቶም ብቐረባ ዝሰርሑ ሰባት ድማ ምውህሃድን ኢዩ ስራሐይ። ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ’ውን ምስ ብዙሓት ሰባት--ከም ምስ ከንቲባ ከተማ ሎንዶንን ካልኦት ጸለውቲ ኣካላትን--ክራኸብ ዕድል ገይረ ነይረ። እዚ ኵሉ ንኣፍሪቃን ተወላዶ ኣፍሪቃን ዝምልከት ጽልዋ ንምሕዳር’ዩ። ዕላማ’ቶም በበይኖም ርክባት፡ ኣፍሪቃ ኣብ ፓርላማ ዓዲ-እንግሊዝ ከመይ ከም እትወከል፡ ካሪክለም ዓዲ-እንግሊዝ ብዛዕባ ኣፍሪቃ እንታይ ይምህር፡ ወዘተ. ንምዝርራብ’ዩ። ነፍሲ-ወከፍ መዓልቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘተኰረ ግን ከኣ ምስ በበይኖም ኣዝዮም ደስ ዘብሉ ሰባት ምስራሕ ስለ ዝዀነ ሓጐስ እፈጥረለይ። የቐነይለይ። ግጥምታት ዶክተር ርእሶም ሃይለ ንምስማዕ ኣብዚ ዝስዕብ መላግቦ ምጥዋቕ ይከኣል። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B0%E1%88%B5%E1%89%B3-%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%88%B6%E1%88%9D-%E1%88%83%E1%8B%AD%E1%88%88-%E1%8A%90%E1%89%B2-%E1%88%BD%E1%88%AE-%E1%8C%A0%E1%88%B5%E1%88%9A-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%88%AE\/6376063.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ጉንፋዕ መሰል ለበዳ ምርኣዩ ሚኒስትሪ ጥዕና'ታ ሃገር ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ከባብታት ለንቅነ ጉንፋዕ መሰለ ለበዳ ምርኣዩ ሚንስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ። ይኹን`ምበር እቲ ቫይረስ ሓዲሽ ፈልቂ ኮሮናቫይረስ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንምፍላጥ ዘኽእል ናይ መርመራ ውጽኢት ገና ከምዘይወጸ ኣፍሊጡ`ሎ። ብኻልእ ወገን፡ ንኮቪድ19 ንምክልኻል፡ ን45 % ዝኸውን ህዝቢ ኢትዮጵያ ክታበት ንምሃብ ይስራሕ ምህላዉ ኣብ ሚንስትሪ ጥዕና ክፍሊ ጉዳይ ህጻናትን ኣዴታትን ንድምጺ ኣመሪካ ኣፍሊጡ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8C%89%E1%8A%95%E1%8D%8B%E1%8B%95-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8D-%E1%88%88%E1%89%A0%E1%8B%B3-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%A3%E1%8B%A9-%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6375978.html"} {"headline":"ሰለስተ ውድባት ትግራይ ህወሓት ንበይኑ ልዝብ ክፍጽም ኣይግባእን ይብሉ","content":"ኣብ ጉዳይ ክልል ትግራይ ዝፍፀም ዝኾነ ዓይነት ልዝብ ህወሓት በይኑ ክፍፅሞ ኣይግባእን ክብሉ ሰለስተ ውድባት ክልል ትግራይ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ኣፍሊጦም። ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ባይቶን ውድብ ናፅነት ትግራይ ዝተባህሉ ሰለስተ ውድባት እቲ ክልል ኣብ ዘውፅእዎ ናይ ፅሑፍ መግለፂ: ማሕበረሰብ ዓለም እቲ ኩናት ብሰላማዊ መንገዲ ክዛዘም ዝገብርዎ ፃዕሪ ከምዝንእዱ ገሊፆም። እቶም ውድባት እቲ ዘሎ ቅልውላው ብሰላማዊ መንገዲ መዕለቢ ክረክብ ቅዋሞም ምዃኑን ብምግላፅ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ክልል ትግራይ ይፍፀም ዘሎ መጥቃዕቲ ኣየር ጠጠው ክብል፡ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱን ኣብቲ ኩናት ኢዶም ኣእትዮም ንዝበልዎም ሃገራት ድማ ጠጠው ከብሎም ተግባራዊ ስጉምቲ ክወስድ ይግባእ ኢሎም። ኣብ ጉዳይ ክልል ትግራይ ጠሚቱ ዝካየድ ልዝብ፡ ህወሓት ንበይኑ ክፍፅሞ ኣይግባእን ዝበሉ እቶም ውድባት፡ ነባሪ ሰላም ዝመፅእ ኩሎም ውድባት እቲ ክልል ብዘሳተፈ ኩሎም ሓይልታት ትግራይ ብዘሳተፈ ክፍፀም ከሎ'ዩ ኢሎም። እቶም ውድባትማሕበረሰብ ዓለም ድማ ነዚ ኩነታት ብዝተረደአ መልክዑ እዩ ከይዲ ሰላም ክፍፅም ዝግባእ ኢሎም ፡፡ ዛጊት ዝተገልጸ ወይ ኣብ መደብ ዝተታሕዘ ዘተ-ሰላም ኣሎ እንተኾይኑ ግን ዝተፈልጠ ነገር የለን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%8B%AD%E1%8A%91-%E1%88%8D%E1%8B%9D%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%8C%BD%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%8A%A5%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%89\/6375993.html"} {"headline":"ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዜጋታቱ ቀልጢፎም ክወጹ ዝጽውዕ መልእኽቱ ዳግም የሐድስ","content":"ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ፡ ኵነታት ጸጥታ ኢትዮጵያ እናኸፍአ ይመጽእ ብምህላዉ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታቱ ብቕልጡፍ ክወጹ ዘዘኻኽር መልእኽቱ ሎሚ`ውን ኣሓዲስዎ`ሎ። እቲ ኤምባሲ ዳግም ዝተሓደሰ ህዝባዊ መልእኽቱ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብ2 ሕዳር 2021 ናይ ህጹጽ ሓደጋ እዋን ዝኣወጀ፡ ኣብታ ሃገር ዘንቈልቍል ዘሎ ስእነት ጸጥታ ብምርዳእ ብምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንዜጋታቱ ህዝባውያን በረራት ኣብ ዘለዋሉ እዋን ብዘይ ወዓል ሕደር ካብታ ሃገር ክወጹ ይሕብር። እቲ ኤምባሲ፡ ብምኽንያት ፋይናንሳዊ ጸገም ትኬት ነፋሪት ንምዕዳግ ዝጽገሙ ዜጋታት ምስ ዝህሉ’ውን ልቓሕ ክህብ ምዃኑ ኣመልኪቱ `ዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B1-%E1%89%80%E1%88%8D%E1%8C%A2%E1%8D%8E%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%8B%88%E1%8C%B9-%E1%8B%9D%E1%8C%BD%E1%8B%8D%E1%8B%95-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%89%B1-%E1%8B%B3%E1%8C%8D%E1%88%9D-%E1%8B%A8%E1%88%90%E1%8B%B5%E1%88%B5\/6375995.html"} {"headline":"ልዕሊ ሓደ ዓመት ኵናት ኢትዮጵያን ክስታት መግሃስትን","content":"ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ዘቑፀረ ኵናት ኢትዮጵያ ክስታት መግሃስቲታት ሰብኣዊ መሰላት፣ኣጀማምራ እቲ ኵናት፣ሪኢቶታት ዝተፈላለዩ ኣካላትን ብዝምልከት ሮይተርስ ሰፊሕ ፍሉይ ፀብፃብ ሰሪሑ ኣሎ። ብህወሓት ዝመራሕ ሰራዊት ብቕልጡፍን ብዘይድጋፍን ናብ ናይ ፀላኢ ግዝኣት ገስጊሱ ነይሩ ይብሉ መስራቲ ህወሓት ዝነበሩ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ።ናብ ኣዲስ ኣበባ ቅድሚ ምእታዎምን ኣብ ዝዓለምዎ ቅድሚምብፅሖምን ተዋጋእቲ ትግራይ ንምቑራፅ ዝተቓልዑ ነይሮም።ብህወሓት ዝምርሑ ሓይልታት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ክኣትው ከለው ንዕኦም ፅልኢት ናብ ዘለዎ ግዝኣት ይኣትው ስለዝነበሩ እቲ ገስጋስ ጥፍኣት ምንባሩ ዶክተር ኣረጋዊ ተንብዮም ከምዝነበሩ ይገልፁ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ብወገን ትግራይ ነቲ ኵናት ዝመርሕዎ ዘለው ኣንፃር ደርጊ ይካይድ ኣብ ዝነበረ ኵናት ይመርሑ ዝነበሩ መራሕቲ ህወሓት እዮም።ካብኦም ሓደ ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ኢታማዦር ሹም ነበር ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ እዮም።ኣዛዚ ሰራዊት ዝነበሩ ጀነራል ፃድቃን ኣብ ኣካይዳ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ኣ\\ፈ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ኢትዮ-ኤርትራ ብዝነበረ ዘይምርድዳእ ካብ ሓላፍነቶም ወሪዶም።ናብ ዋና ከተማ ኤርትራ ክግስግሱ ድልየት ነይሩዎም።ጀነራል ፃድቃን ካብ ጥሮታ ተመሊሶም ህወሓት ኣንፃር ኣዲስ ኣበባ የካይዶ ኣብዘሎ ቓልሲ ቁልፊ መራሒ እዮም። ጀነራል ፃድቃን ነዚ ፅሑፍ እዚ ሪኢቶ ኣይሃብሉን።ቅድም ክብል ምስ ሮይተርስ ብስልኪ ኣብዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ግን ኣብ መንጎ ዶክተር ኣብይን ህወሓትን ዕርቂ ንምፍጣር ንኣዋርሕ ከምዝፈተኑን ናይ ኤርትራ ተሳትፍሮ ግን ብረት ካብ ምልዓል ወፃኢ ካሊእ መማረፂ ከምዘይነበሮምን ገሊፆም። ‘'መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሃገርና ንክወሩ ናይ ወፃኢ ሓይልታት ጋቢዙዎም።እቲ ዝነበረና ምርጫ ንናይ ወፃኢ ሓይልታት ወይ ንናይ ኣብይ ሓይልታት ኢድ ምሃብ እዩ ወይ ድማ እዚ ኣይኸውንን ኢልካ ኣብቲ ቃልሲ ምፅምባር እዩ።ኣነ ነዚ ዳሕረዋይ ሓሪየ’’ኢሎም። ኣብ ትግራይ ኣብ ድሕሪት ካብዘሎ ሓይሊ ካሊእ ሓላፊ ኣገልግሎት ስለያ ኢትዮጵያ ነበር ጌታቸው ኣሰፋ እዮም ብመሰረት ምስ መሪሕነት ህወሓት ርክብ ዘለዎም ክልተ ሰባት። ዓቀብቲ ሕጊ ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ ሓላፊ ስለያ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ብመስቀይቲ፣ቅትለትን ካልኦት ገበናትን ኣብ ዘየለውሉ ከሲሶምዎ እዮም።ንዝቐረቡዎም ክስታት ብወግዒ መልሲ ኣይሃቡን።ኣቶ ጌታቸውን ህወሓትን ነዚ ፅሑፍ መልሲ ክህቡ ብሮይተርስ ንዝቐረቡ ሕቶታት ኣይመለሱን። መንገዲ ሕድ ሕድ ኵናት ዝጀመረ ይብሉ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ገለ ካልኦት ተንተንቲ እውን ዝኣምንሉ ሪኢቶ ኣብይ ከም ብእንካ ሃባ ዝኣምን ሕፁይ ቀዳማይ ምንስቴር ኮይኖም ኣብ 2018 ኣ\\ፈ ኣብ ዝወፅኡ እዋን እዩ ይብሉ።ናብ ስልጣን ምስ ደየቡ ዶክተር ኣብይ ንናይ ህወሓት ፖለቲካውን ቁጠባውን ሓይሊ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ክብድሁ ድሕሪ ምውሳኖም እቲ ግጭት ዘይተርፍ እዩ ነይሩ ኢሎም ይኣምኑ ብዙሓት ተንተንቲ።ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ቀልጢፎም ህወሓት ናይ ለውጢ ዕንቅፋት ብምዃን ብድሕሪት መድረኻት ስልጣን ንምሓዝ ይፍትን ኣሎ ክብሉ ከሲሶምዎ። ጠቕላሊዓቃቢ ሕጊን ምንስቴር ፍትሕን ኢትዮጵያ ጌዲዮን ቲሞትዎስ ንሮይተርስ ኣብ ዝ ሃቡዎ ቃለ ምልልስ ብመንግስቲ ዝውነን ኩባኒያ መቴክ ሓዊሱ ቅድም ክብል ምስ ናይ ህወሓት ተሓባበርቲ ሰባት ይምርሑዎ፤ነይሮም ግዙፍ ናይ መንግስቲ ኮንትራት ይወስዱ ነይሮም ይብሉ።ሸውዓተ ቢሊዮን ብር ኣበይ ከምዝኣተው ግልፂ ይኮነን ይብሉ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ገዲዮን። ዋና ፈፃሚ ስራሕ መቴክ ነበር ትግራዋይ ሜጄር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ኣብ ሕዳር 2018 ኣ\\ፈ ተኣሲሮም ብርክት ዝበሉ ክስታት ቀሪቡዎም። ኣብ ኦስሎ መፅናዕታት ሰላምን ግጭትን ፕሮፌሰርን ህወሓት ብዝምልከቱ ጉዳያት ክኢላን ምስቲ ውድብ ጥቡቕ ርከብ ዘለዎን ዠትል ትሮንቮል ግዕዝይና ኣብ ልዕሊ ህወሓት ትኹረት ገይሩ ዝቐርብ ‘'ናይ ሓሶት ተረኽ’’እዩ ይብል።ኣብ ካልኦት ሊሂቃን ናይ ብሄር ጉጅለታት እውን ብልሽውና ኣሎ ይብል።ገለ ተጋሩ ኣብ ልዕሊ ጀነራል ክንፈ ዝቐረበ ክሲ ፖለቲካዊ እዩ ይብሉ። ብዙሓት መራሕቲ ህወሓት ብክስታት ግዕዝይና ምእሳሮም ካልኦት ናይቲ ፓርቲ ሰባት ናብ መቐለ ክሃድሙ ገይሩዎም።ናይ ክልቲኦም ወገናት ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ምስሕሓብር ዘይተርፍ ነይሩ። ፌደራል መንግስቲ ብሰንኪ ኮቪድ 19 ሃገራዊ ምርጫ ምንውሑ ብምቅዋም ትግራይ ኣብ መስከረም 2020 ኣ\\ፈ ምርጫ ኣካይዳ። መንግስቲ ኣብይ ሕጋዊ ኣይኮነን ኢሉ ኣዊጁ።ፓርላማ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ገንዘብ ከይልኣኽ ከልኪሉ። ‘’ኣብቲ ስዓት ኵናት ዘይትረፍ ነይሩ’’ይብል ኣብ ብራስልስ ዝመደብሩ International Crisis Groupናይ ኢትዮጵያ ተንታኒ ዊሊያም ዴቪሰን።መራሕቲ ትግራይ ‘'ፌደራል መንግስቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ሓይሊ ተጠቒሙ ንትግራይ ከዳኽም ኢዶም ዓፃፂፎም ኮፍ ከምዘይብሉ ግልፂ ገይሮም እዮም’’ይብል ዴቪሰን። 3 ሕዳር 2020ኣ\\ፈ ውግእ ተላዒሉ። ዓቀብቲ ሕጊ ፌደራል 16 ወታደራት ኢትዮጵያ ብቃለ ምሓላ ዝመስከሩዎ ንሮይተርስ ኣርእየምዎ።ሓይልታት ትግራይ ለይቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ መጥቓዕቲ ከምዝፈፀሙ እቶም ወታደራት ይገልፅዎ።ሮይተርስ ንቶም ወታደራት ኣየዘራረበን ንቃለ ምስክርነቶም እውን ብነፃ ወገን ኣየረጋገፀን። ሓይልታት ትግራይ ድሕሪ እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ዝቕፅሉ ማዕልታት ብዙሓት ግፍዕታት ፈፂሞም ክብሉ ዓቃብቲ ሕጊ ይኸሱ።ናይቲ ግጭት ጀማሪ ህወሓት እዩ ይብሉ እቶም ዓቀብቲ ሕጊ። ህወሓት ነቲ ስጉምቲ ዝወሰድኩ ሓይልታት ፌደራል መጥቓዕቲ ንምፍናው ቦታት ንምሓዝ ይንቀሳቀሱ ስለዝነበሩ እዩ ይብል። ‘’ሓይልታት ፌደራል ኣብ ወሰና ወሰን ትግራይ ይተኣኻኸቡ ነይሮም’’ኢሎም መራሒ ህወሓት ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ ሓምለ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቡዎ ቃለ ምልልስ።ህወሓት መብዛሕቲኡ ንወታደራት ኢትዮጵያ ብሰላም ዕጥቖም ከፍትሖም እዩ ፈቲኑ ከምኡ እውን እዩ ገይሩ ቶኽሲ ኣይነበረን ኢሎም ዶክተር ደብረፅዮን።’’ዓርሰ ምክልኻል እዩ’’ኢሎም ብምውሳኽ።ሮይተርስ ብዛዕባ ዝቐረቡ ሰነዳትን ቃል ምስክርነትን ዘቕርቦም ሕቶታት ህወሓት ኣይመለሰን። ውግእ ምስ ተጀመረ ሓይልታት ፌደራል ንቁልፊ ከተማታት ትግራይ ተቖፃፂሮም ንብዙሓት መራሕቲ ህወሓት ቀቲሎም ወይም ሒዞም።ግን ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ሰራዊት ፌደራል ከቢድ ስዕረት ከጋጥሞ ጀሚሩ።ኣብ መወዳእታ ሰነን መጀመሪያ ሓምለን ካብ ትግራይ ወፂኡ።ቀዳማይ ምንስቴር በይናዊ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ስጉምቲ ኣዊጆም። ኣብ መላእ ትግራይ ኣማእቲ መናእሰይ ደቂ ተባዕቲዮን ደቂ ኣንስትዮን ትግራይ ናብ ሰራዊት ትግራይ ክፅንበሩ ጋዜጠኛ ሮይተርስ ኣብ ሓምለ ተዓዚቡ።ሓይልታት ትግራይ ናብ ደቡብን ምብራቕን ብምድፋእ ንክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ተቖፃፂሮም።ኣብቲ እዋን ዕላምኦም ንዕፅዋ ንምኽፋት እዩ ኢሎም፤ረድኤት ከይኣቲ ዝኸልከለ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ስቪላት ኣንፃር ገስጋስ ህወሓት ክከላኸሉ ፀዊዑ። ሓይልታት ትግራይ ኣብ ሕዳር ትሕቲ ክልተ ምእቲ ኪሎ ሜትር ናብ ኣዲስ ኣበባ ተፀጊዖም ነይሮም።ብዙሓት ሃገራት ዜጋታቶም ክውፅኡ ኣዚዞም።መንግስቲ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ህፁፅ ግዜ ኣዊጁ። ሓይልታት ትግራይ ናብ ድሕሪት ተመሊሶም።ነቲ ኵናት ባዕሎም ክመርሑዎ ናብ ዓውዲ ኵናት ብምውፋር ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ብድሮናትን ሓደሽቲ ኣሽሓት ምልምላትን ተሰኒዮም ዓብይ መጥቓዕቲ ፈኒዮም። ሙሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/in-ethiopia-war-new-abuses-charges-turn-spotlight-on-tigrayan-former-ruler\/6375883.html"} {"headline":"ኣብ ኲናት ኢትዮጵያ ዝወጹ ሓደሽቲ መግሃስቲታት ናብ ተጋሩ መራሕቲ ነበር የነጻጽሩ","content":"ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ዘቑፀረ ኲናት ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ገዛእቲ ነበርን ዝቐረበ ሓዱሽ ክስታት መግሃስትን ሓዊሱ ኣጀማምራ እቲ ኲናትን ኣብ ልዕሊ ተዋሳእቲ ኣካላት ዝቐረቡ ክስታትን ብዝምልከት ሮይተርስ ፍሉይ ፀብፃብ ኣውፂኡ ኣሎ። ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ክልል ትግራይ ዝጀመረ ኲናት ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ናይ ክልል ኣምሓራ ከተማ ንፋስ መውጫ በፂሑ።ሓይልታት ትግራይ ኣብታ ከተማ በፂሖም።28 ዝዕድሚኡ ዲያቆን በፅሃ ደረሰን ካልኦትን ናብ ዱር ሃዲሞም።ዲያቆን በፅሃ ዓርኩ ዲያቆን ሙላት ኣይነኩሉ መኮነን ግን መፅሓፉ ክወስድ ተመሊሱ ይብል ። ሓይልታት ትግራይ \"ኣብ ልዕሌና ምትኳስ ስለዝጀመሩ ሃዲምና’’ይብል።በፅሃ ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት ናብ ቤተ ክርስትያን ምስተመለሰ ሬሳ ናይ 35 ዝዕድሚኡ ሙላት ረኺቡ።ብጥይት እዩ ተወቒዑ። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ በለጠ ኣስራቴ ተዋጋእቲ ትግራይ ኣብታ ከተማ ን27 ስቪላት ደቂ ተባዕቲዮ ቀቲሎም ይብል።በለጠ:በፅሃን ካልኦትን እቶም ግዳያት ዘይተዓጠቑ እዮም ይብሉ።ካልእ ሰብ ድማ ገሊኦም ግዳያት ዕጡቓት ነይሮም ይብል።እዞም ሰባት ክቕተሉ ዝርኣየ ዋላ ሓደ ሰብ ግን የለን። ናይታ ከተማ ሰባት ልዕሊ 70 ደቂ ኣንስትዮ ብተዋጋእቲ ትግራይ ፆታዊ ዓመፅ ከምዝተፈፀመን ይዛረቡ።ሮይተርስ ንሰለስተ ደቂ ኣንስትዮን ሰራሕተኛታት ጥዕና ፣ከባቢያዊ ሰበስልጣን ንናይ ፌደራል ዓቀብቲ ሕግን ኣዘራሪቡ ኣሎ።እቶም ፈፀምቲ ፆታዊ መጥቓዕቲ መናእሰይ እዮም ትብል ተደጋጋሚ ፆታዊ መጥቓዕቲ ከምዝተፈጸማን ቀልባ ስሒታ ከምዝነበረትን ትገልፅ ጓል 37 ዓመት ኣገሬ ያይናለም። ‘’ለሚነዮም’’በለት ኣገሬ \"ደቂ ኣንስትዮ ኣሕዋት'ዶ የብልኩምን፧ንዕአን ሕሰቡ’’ ኢለዮም ትብል እዛ ሮይተርስ ብሽማ ዝጠቐሳን ፎቶግራፋ ኣብ ፀብፃቡ ዘውፅኣን ጓል ኣንስተይቲ ’’ኣብ ልዕለይ ዝኸፍአ በደል ተፈፂሙ’’ትብል። እቲ ኲናት ቅድሚ ሓደ ዓመት ካብ ዝጅመር ሮይተርስ ብኩሎም ወገናት ዝተፈፀሙ ግፍዕታት ፀብፂቡ እዩ። ሓይልታት ትግራይ ብመራሕቲ ህወሓት ይእዘዙ።መብዛሕቲኦም ተዋጋእቲ ኣባላት ህወሓት ኣይኹን እምበር።ኣንፃሮም ዝገጠሙ ሰራዊት ፌደራል ኢትዮጵያ ፣ ወታሃደራት ጎረቤት ሃገር ኤርትራን ሓይልታት ክልል ኣምሓራን እዮም። እቲ ግጭት ንህይወት ኣሽሓት ስቪላት ኣጥፊኡ።ብመሰረት ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ 400,000 ሰባት ድማ ዓፀቦ ናብ ዝመስል ኩነታት ኣእትዩዎም።ኣብ መላእ ሰሜን ኢትዮጵያ 9.4 ሚሊዮን ህዝቢ ተጸበይቲ ረድኤት ኮይኖም ኣለው።ኣስታት 60,000 ሰባት ድማ ናብ ሱዳን ሃዲሞም። ንሸሞንተ ኣዋርሕ እቲ ውግእ ኣብ ትግራይ እዩ ተኻይዱ።ክስታት ቅትለትን ጃምላዊ ፆታዊ ዓመፅን ብሮይተርስን ካልኦትን ተፀብፂቦም እዮም።ድሕሪ ሓምለ ግን እቲ ውግእ ናብ ደቡብ ገፁ ተጋፊሑ።ሓይልታት ትግራይ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ኣትዮም።ሓይልታት ትግራይ ኣብ ንፋስ መውጫ ፆታዊ ዓመፅ ፈፂሞም፣ንብረት ሰሪቖምን መጥቓዕቲ ፈፂሞምን ክብል ኣብ ሕዳር ዝወፀ ፀብፃብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ይኸስስ።ኣምነስቲ ኣብታ ከተማ ኣይበፅሐን።ፀብፃቡ ምስ ነበርቲ ኣብ ዘካየዶ ናይ ስልኪ ቃለ ምልልስ ዝተመስረተ እዩ። ህወሓት ንዝተጠቐሱ ክስታት ፆታዊ ዓመፅ ብምምርማር ‘’ፈፀምቱ ናብ ሕጊ ከምዘቕርቦም’’ ቃል ኣትዩ ኣሎ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሓይልታት ትግራይ ተታሒዞም ዝነበሩ ግዝኣታት ኣምሓራ ምስ ተቖፃፀሩዎ ጋዜጠኛታት ሮይተርስ ናብ ንፋስ መውጫን ካልኦት ከተማታትን ኣብ ሕዳር ተጓዒዞም።ሮይተርስ ንበፅሃ፣ኣግሬን ካልኦትን ኣዘራሪቡዎም። ህወሓት ንሕቶታት በዚ ፀብፃብ ዝቐረቡ ክስታት ኣይመለሰን።መራሕቲ ህወሓት ሓይልታት ትግራይ ፈፂሞም ንዝብሃሉ መግሃስታት ብተደጋጋሚ ብምንፃግ ዓለምለኸ ነፃ ምርመራ ክካይድ ይፅውዑ። ንገለ ናይ ወፃኢ ሰባት ናይ ኢትዮጵያ ግጭት ውፅኢት 45 ዓመት ዝዕድሚኦም ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ተገይሩ ይርኣይ።ገለ ዓለምለኸ ተዓዘብቲ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይን ሓይልታቶምን ንትግራይን 5.5 ሚሊዮን ህዝባን ንምስባር ብምፍታን ይኸሱዎም።ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ፍሉይ ልኡኽ ፐካ ሃቪስቶ ኣብ ሰነ ከምዝበሉዎ መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ መጀመሪያ እዚ ዓመት ኣብ ናይ ዕፅው ማዕፆ ዝርርብ \"ትግራዎት ንሓደ ምእቲ ዓመት ክነጥፍኦም ኢና’’ ከምዝበሉዎም ገሊፆም ነይሮም።መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ክሲ ብትሪ ነፂጉዎ። ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ‘’ተግባር ምፅናት ዓሌት ተፈፂሙ’’ ክብሉ ኣብ መጋቢት ንኮንግረስ ቃል ሂቦም ነይሮም። ኣብ ኢትዮጵያ ግን ብዙሓት ሰባት ንምፍሳስ ደም ፖለቲካዊ መሪሕነት ትግራይ ይኸሱ። ብዙሓት ኣብ ትግራይ ዝተፍፀሙ ቅትለታት ብወታሃደራት ኤርትራ ከምዝተፈፀሙ ክስታት ይቐርብ።ብናይ ኢትዮጵያ ፌደራል ወታሃደራትን ሚሊሽያታት ኣምሓራን እውን ቅትለታት ከምዝተፈፀሙ ሓባራዊ ምርመራ ሕቡራት ሃገራትን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ገሊፁ እዩ።ሮይተርስ ከምዝፀብፀቦ እቶም መግሃስቲታት መስቀይቲ ፣ ቅትለታት ስቪላትን ብዕስለ ፆታዊ ዓመፅን ይሓውስ። ኤርትራ ወታሃደራታ ከምኡ ዝበሉ መግሃስታት ኣይፈፀሙን ክትብል ኣሉታ ሂባትሉ ኣላ።መንግስቲ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኤርትራ ነቶም ፈፅምቲ ተሓተቲ ክተገብሮም እያ ክብል ቅድም ክብል ገሊፁ ነይሩ።ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብ ልዕሊ ወታሃደራት ኢትዮጵያ ምርመራ ከምዝካየድ ቃል ኣትዮም እዮም።ሰበስልጣን ክልል ኣምሓራ ብሓይልታት ኣምሓራ ተፈፂሞም ዝተብሃሉ ግፍዕታት መሰረት ዘይብሎም እዮም ክብሉ ነፂጎምዎ። ሮይተርስ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ማይ ካድራ ንልዕሊ 200 ኣምሓሩን ኣብ ሰሜን ምዕራብ ንብዙሓት ኤርትራዊይን ስደተኛታትን ከምዝቐተሉ ፀብፂቡ እዩ።ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ስሩዓት ሓይልታት ትግራይ ኣብቲ ቅትለት ምስታፎም ብምንፃግ ከባቢያዊ ሚሊሽያ ትግራይ ግን መግሃስቲ ፈፂምም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ክብሉ ገሊፆም እዮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%8C%B9-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%88%BD%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%83%E1%88%B5%E1%89%B2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%89%B0%E1%8C%8B%E1%88%A9-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8B%A8%E1%8A%90%E1%8C%BB%E1%8C%BD%E1%88%A9\/6374638.html"} {"headline":"ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ቤት ምኽሪ ምምኽኻር ክምስረት ዘኽእል ኣዋጅ ኣጽዲቑ","content":"ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ኮሚሽን ቤትምኽሪ ምምኽኻር ንምምስራት ዘኽእል አዋጅ ኣጽዲቁ። ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ካልኣይ ፍሉይ ኣኼባ ንሃገራዊ ኮሚሽን ምምኽኻር ኢትዮጵያ ዘቑውም ረቂቅ ኣዋጅ ዘጽደቀ ካብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕጊ:ፍትሕን ዲሞክራሲን ዝቐረበሉ ድሕሪ ምምርማሩ ምዃኑን ብብዝሒ ድምጺ ከምዝጸደቀ ተሓቢሩ ኣሎ። 13 ተቃውሞን ሓደ ድምጸ ተዓቕቦን ከም ዝተመዝገበ'ዉን ተገሊጹ'ሎ። ኣብ ልዕሊ'ቲ ረቂቅ ኣዋጅ ቅድም ክብል ኣብ ዝነበረ ሰሙን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተሰብ የዘራርብ ከምዝነበረ መሓውራት ዜና መንግስቲ ክሕብሩ ጸኒሖም እዮም።\\n​","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8B%88%E1%8A%A8%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%8A%BB%E1%88%AD-%E1%8A%AD%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%8A%BD%E1%8A%A5%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%8C%85-%E1%8A%A3%E1%8C%BD%E1%8B%B2%E1%89%91\/6374538.html"} {"headline":"ሚ\/ጉ\/ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ሶማልን ምስ ናይ ፕረዚደንት ኬንያ ምዝርራቦም ተገሊጹ","content":"ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ኩነታት ኢትዮጵያን ሶማልን ሓዊሱ ኣብ ጉዳያት ዞባዊ ጸጥታን ሓባራዊ ረብሓን ምስ ናይ ኬንያ ፕረዚደንት ኤሁሩ ኬ​ንያታ ተዘራሪቦም ክብል መግለጺ ቤት ዕዮ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ገሊጹ። ንኢትዮጵያ ብዝምልከት ኣድላይነት ህጹጽ ምቁራጽ ተጻብኦ: ብዘይዕንቅፋት ምብጻሕ ረድኤት: ጠጠው ምባል ምግሃሳት ሰብኣዊ መሰላትን ልዝብ መሰረት ዝገበረ ፍታሕ ነቲ ጎንጺን ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ከም ዝተሰማምዑ እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ'ሎ። ብመሰረት እቲ መግለጺሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፥ ኣመሪካ ንጻዕርታት ሽምግልና ፕረዚደንት ኬንያታን ፍሉይ ል ኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ኦሊሰንጎ ኦባሳንጆን ዘለዋ ሓያል ደገፍ ገሊጾም እለዉ ። ሶማል ብዝምልከት ኸኣ ምርጫ ኣባላት መራሕቲ ክፍለግዝኣታዊ ፌደራላዊ መንግስቲ ፓርላሜንታውን ፕረዚደንታውን ብቅልጡፍን ንተኣማንነት እቲ ውጺኢት ኣብ ሓደጋ ብዘየእቱ ካብ ዘይስሩዕ ኣካይዳ ነጻ ብዝኾነ ምክያዱ ኣድላይ ምኻኑ እቶም ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ከምዝመስመርሉ እቲ መግለጺ ገሊጹ'ሎ። ኣመሪካ ንቀዳማይ ሚኒስተር ሮበለ ንምድስካል ዝተገብረ ፈተነ ከም ዝተቃወመቶ ዝጠቀሱ እቶም ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ፥ ኩሎም ወገናት ነቲ ኩነታት ዘጉሃህሩ ተግባራት ንኽቁጠቡ ክሰማምዑን ኣለዎም ኢሎም ኣለዉ።\\n​","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8A%AC%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%88%AB%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6374210.html"} {"headline":"ዋሕዚ ናብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ስለምንታይ’ዩ?","content":"ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ ደኣ ኣይዅን እምበር፡ ብዙሓት ኣብ ቀረባ ዓመታት ናብ ኣመሪካ ዝተሰደዱ ኤርትራውያን ኣብ ጽላት ጥዕና፡ ምዝዋር ኡበር፡ ምዝዋር ዓበይቲ መካይንን እቶም ብኮለጅ ዝመጹ ድማ ኣብ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ዝተኣሳሰር ዓውድታት ክነጥፉ’ዮም ዝርኣዩ። ብፍላይ ኣብ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ንኽኣትዉ ንብዙሓት ዝድርኽ ዘሎ እንታይ’ዩ፧ ነዚ ንምፍላጥ ንኢንጂነር ኰኾብ ጎይትኦም ኣዘራሪብናዮ ኣሎና። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8B%E1%88%95%E1%8B%9A-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%8B%8D%E1%8B%B2-%E1%89%B4%E1%8A%AD%E1%8A%96%E1%88%8E%E1%8C%82-%E1%88%93%E1%89%A0%E1%88%AC%E1%89%B3-%E1%88%B5%E1%88%88%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%B3%E1%8B%AD-%E1%8B%A9-\/6373163.html"} {"headline":"8 አባላት ስድራ ፕረ. ክልል ኦሮምያ ነበር ብዕጡቓት ምቕታሎም ተገሊጹ","content":" ኣባላት ስድራ ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ነበር ኣቶ ኣለማየሁ ኣቶምሳ ብዕጡቓት ተቐቲሎም ክብሉ ስድርኦምን ሰበስልጣን መንግስቲ እቲ ከባቢን ገሊፆም።እቶም ዕጡቓት ዝሓለፈ ዓርቢ ንሰለስተ ኣሕዋቶምን ካልኦት ሓሙሽተ ቤተሰቦምን ድሕሪ ምቕታሎም ተሰዊሮም ኣለው ኢሎም። እቲ ቅትለት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ጅማ ወረዳ ኖኖ ቤንጃ ኮንቺ ተባሂላ ኣብ እትፅዋዕ ናይ ገጠር ዓዲ ከምዝተፈፀመ ሓዎም ንኣቶ ኣለማየሁ ኣቶምስን ኣማሓዳሪ ናይቲ ወረዳን ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም። ኣብ ልዕሊ ስድራ ኣቶ ኣለማየሁ ዝተፈፀመ መቕተልቲ ምኽኒያቱ ከምዘይተፈልጠ ዝተሓበረ ክኸውን ከሎ ህይወቶም ዝሰኣኑ ካብ 70 ክሳብ 80 ዓመት ዝዕድሚኦም ምዃኖም ኣማሓዳሪ ናይቲ ወረዳ ኣቲ ኩመራ ድጋ ገሊፆም። እቶም ዕጡቓት ካብ ጎረቤት ዞባ ዝመፁ እዮም ዝበሉ ኣቶ ኩመራ ነቲ ቅትለት ፈፃሚኡ ንባዕሉ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኢሉ ዝፅውዕ እዩ ክብሉ ስድራ መወትን መንግስትን ይኸሱ።ድምጺ ኣመሪካ ካብ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ መልሲ ንምርካብ ዝገብሮ ፃዕሪ ኣይተዓወተን። ሓምሻይ ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ነበር ኣቶ ኣለማየሁ ኣቶምሳ ነቲ ክልል ካብ 2010 ጀሚሮም ክመርሑ ድሕሪ ምፅናሕ ብዘይተገለፀ ሕማም ኣብ ታይላንድ ክሕከሙ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ 2014 ህይወቶም ምሕላፉ ይገልፅ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%B5%E1%8B%B5%E1%88%AB-%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%88%9B%E1%8B%A8%E1%88%81-%E1%8A%A3%E1%89%B6%E1%88%9D%E1%88%B3-%E1%89%A5%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%B3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6371535.html"} {"headline":"ኢዜማ: ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ዝተመደበ ልዝብ ዝመርሕ አካል ብኹሉ ተቐባልነት ዘለዎ ክኸውን ሓቲቱ","content":"ኢዜማ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ትፅቢት ንዝግበረሉ ሃገራዊ ምኽክር ዝመርሕ ኣካል ብኹሉ ተቐባልነት ዘለዎ ክኸውን ሓቲቱ። ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ) ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሃገራዊ ምርድዳእን ነባሪ ሰላም ንምፍጣር ኣብ ዝካየድ ፃዕሪ ዝካየድ ሃገራዊ ምኽክር ንምምራሕ ዝጣየስ ኣካል ብኹሉ ወገን ተቐባልነት ዘለዎን ካብ ናይ መንግስቲ ይኹን ናይ ዝኾነ ይኹን ፓርቲ ተፅዕኖ ወፃኢ ክኸውንን ፃውዒት ኣቕሪቡ። እቲ ሃገራዊ ምኽክር ግን ምስ እዋናዊ ናይ ፀገማት መፍትሒ ክተሓዋወስ ከምዘይብሉ እውን ኣተሓሳሲቡ ኣሎ ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%8B%9C%E1%88%9B-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%B0%E1%89%A0-%E1%88%8D%E1%8B%9D%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%89%A5%E1%8A%B9%E1%88%89-%E1%89%B0%E1%89%90%E1%89%A3%E1%88%8D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8E-%E1%8A%AD%E1%8A%B8%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%88%93%E1%89%B2%E1%89%B1\/6371566.html"} {"headline":"ሬሳ 28 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምርካቡ ተገሊጹ","content":"ብመሰረት ሓበሬታ ሰበ ስልጣን ጸጥታ ትማሊ ሰንበት ሬሳ 28 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምርካቡ ተገሊጹ። አባላት ቀይሕ ወርሒ ሊብያ ካብ ዋና ከተማ ትሪፖሊ ኣስታት 90 ኪ.ሜ. ርሕቐት ኣብ ትርከብ ገማግም ባሕሪ ኣል-ኣሉስ ሬሳ 28 ስደተኛታት ብህይወት ዝተረፉ ሰለስተ ሰባትን ኣብ ክልተ ቦታታት ምርካቦም ምንጭታት ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሮም። እዚ ዳሕረዋይ ሓደጋ ዝስማዕ ዘሎ 160 ስደተኛታት ብተመሳሳሊ ሓደጋድሕሪ ምሟቶም ቁሩብ መዓልታት'ዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AC%E1%88%B3-28-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%88%E1%88%9B%E1%8C%8D%E1%88%9D-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%88%8A%E1%89%A5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%AB%E1%89%A1-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6371582.html"} {"headline":"ደራሲ ተስፋዬ ገብረኣብ ዓሪፉ","content":"ልዕሊ 10 መጽሕፍቲ ዘሕተመ፡ ብምልከት ኣጸሕሕፋኡ፡ ናይ ምትእስሳርን ታሪኻዊ ፈተሻን ኵርናዑ ይለለ ህቡብ ደራሲን ተመራመርን ተስፋዬ ገብረኣብ፡ ኣብ ኬንያ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሑ፡ ብሰንኪ ሕማም ትማሊ ዓርቢ 24 ታሕሳስ 2021 ዓሪፉ'ሎ። ካብ ኤርትራውያን ስድራቤት ኣብ ቢሾፍቱ-ኢትዮጵያ ተወሊዱ ዝዓበየ ተስፋዬ፡ ኣብ መወዳእታ ዓመታት ምስ ኢህወደግ ተሰሊፉ፡ ኣንጻር ስርዓት ደርግ ኣብ ዝነበረ ቃልሲ ተሳቲፉ‘ዩ። ድሕሪ ምቕያር እቲ ስርዓት ድማ ኣብ በበይኑ መዝነታት ከም ሓላፊ መምርሒ ፕረስ፡ ኣካያዲ ኣሕታሚ ኩራዝን ዋና ኣዳላዊ መጽሄት እፎይታ ኮይኑን ኣብ ካልእ ዜናዊ ስራሓትን ነጢፉ። ንተስፋዬ ፥ዝያዳ ህቡብነት ዝገደፈትሉ መጽሓፍ ”የቡርቃ ዝምታ” እትብል ክትከውን እንከላ፡ ኣብ ብሄረ ኦሮሞ ዓቢ ስም ከተትርፍ እንከላ፡ ኣብ ተወልዶ ብሄረ ኣምሓራ ግን ሰፊሕ ነቕፌታን ቅሬታን ከም ዘስዓበት ብሰፊሑ ይዝረብ። ተስፋዬ ኣብ ፈለማ 2000ታት ምስ ኢህወደግ ብዝነበሮ ፍሕፍሕ ካብታ ሃገር ወጺኡ ንስደት ድሕሪ ምምራሑ፡ ድሕሪ ናይ ደቡብ-ኣፍሪቃ ጻንሖቱ ንኤርትራ ተመሊሱ ክነብር ጸኒሑ። ካብተን ንስደት ምስ ወጸ ዝጸሓፈን የጋዜጤኛው ማስታወሻ (መዘክር ጋዜጠኛ) ትብል ሰፊሕ ተነባብነት ከም ዝነበራ ይዝከር። ድሕሪኡ'ውን ኣከታቲሉ የደራሲው ማስታወሻ፡​ የስደተኛው ማስታወሻ ዝብላ ዓበይቲ መጸሓፍቲ ጽሒፉ ዘርጊሑ'ዩ። ምሉእ ግዜኡ ኣብ ናይ ምጽሓፍ ዘሕልፎ ዝነበረ ተስፋዬ፡ ልዕሊ 10 መጽሕፍቲ ዘሕተመ፡ ብምልከት ኣጸሕሕፋኡ፡ ናይ ምትእስሳርን ታሪኻዊ ፈተሻን ኵርናዑ ይለለ። ተስፋዬ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝነበሮ ጥበብ ኣጸሓሕፋ፡ ኣብ ዘካይዶም ስራሓት ደቂቕ መጽናዕቲ ከም ዝገብር ስራሓቱን ፈለጥቱን ይምስክሩ። ብዙሓት መጽሓፍቲ ተስፋዬ ናብ ካልእ ቋንቋታት ዝተተርጐሙ ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣብ መፋርቕ ናይዚ ወርሒ’ዚ ብስሙይ ኤርትራዊ ደራሲ ኣለምሰገድ ተስፋይ ካብ ኣምሓርኛ ናብ እንግሊዘኛ ዝተተርጐመት መጽሓፍ The Nurebi File ብዝብል ኣርእስቲ ተዘርጊሓ ናብ ህዝቢ በጺሓ ኣላ። ኣብ እዋን ምልላይ’ታ መጽሓፍ ተስፋዬ ንሕክምና ኣብ ኬንያ’ዩ ነይሩ። ኣብ በበይኑ ዝጸሓፎም መጽሓፍቲን ዓንቀጻት ካብ ክርክርን ታሪር ነቕፌታን ዘየዕርፍ ዝነበረ ተስፋዬ ኣብ መበል 53 ዓመቱ’ዩ ዓሪፉ። ተስፋዬ በዓል ሓደርን ኣቦ ሰለስተ ቈልዑን’ዩ ነይሩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6369650.html"} {"headline":"ብዘለካ ተኻፊልካ…","content":"ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ሰፊሕ ሰብኣዊን ንብረታዊ ክሳራ ደኣ የስዕብ እምበር፡ በቲ ካልእ ገጹ ግን ንሓያሎ ኣብነታት ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ርህራሀን ተኻፊልካ ምንባርን ኣርእዩ ኣሎ። ሓንቲ ካብዘን ኣብ ትግራይ ንተመዛበልቲ ልቢ ዝትንክፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝገብራ ዘለዋ እምሆይ ጸጋ ግርማይ’የን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8A%AB-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8D%8A%E1%88%8D%E1%8A%AB-\/6368874.html"} {"headline":"'ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ምይይጥ ንእዋናዊ ኩነታት ዘጠቓልል ኣይኮነን' ኣምባ.ዲና","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሃገራዊ ምይይጥ ዋና ዕላምኡ፡ ኢትዮጵያ ንዘመናት ዝጸንሑ ናይ ውሽጢ ጸገማታ ንምፍታሕ ዘገልግል መንገዲ`ምበር ምስዚ ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ`ታ ሃገር ዘጋጠመ እዋናዊ ጸገማት ብቐጥታ ዝተኣሳሰር ኣይኮነን ክብል ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዲና ሙፍቲ ኣፍሊጡ። ኣምባሳደር ዲና ምስ ህወሓት ንምልዛብ ዘኽእል ሕጋዊ ባይታ ከምዘየለ ብምሕባር፡ እቲ ጉዳይ ምይይጥ`ምበር ልዝብ`ውን ኣይኮነን ኢሉ። ንሱ ኣተሓሒዙ ናይ`ቲ ምኽክር ቀንዲ ተዋሳእቲ፡ ፓርቲታት ፖለቲካ ዘይኮኑስ፡ ንህዝቢ ብዋና ተዋሳኣይነት ዝሓቁፍ`ዩ ድሕሪ ምባል፡ ምስ ህወሓት ግን ልዝብ ኮነ ምይይጥ ንምክያድ እቶም ዘለዉ ናይታ ሃገር ሕግታት ኣይየፍቅዱን`ዮም ኢሉ። ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዲና ሙፍቲ \"ሕጊ`ዛ ሃገር ንህወሓት ኣቐዲሙ ብግብረ-ሽበራ መዲብዎ`ዩ፡ ከም ኣሸባሪ ውድብ`ዩ ዝፍለጥ። ብመሰረት ሕገ-መንግስትና ድማ ምስ ኣሸባሪ ወድብ ንላዘበሉ ሕጋዊ ባይታ የለን\"ኢሉ። ኣቦ-መንበር ህወሓት ደብረጽየን ገብረሚካኤል፡ ሓይልታት ትግራይ ንሰላማዊ ፍታሕ ክብል ካብቲ ሒዝዎ ዝነበረ ከባብታት ኣምሓራን ዓፋርን ምውጽኡ ብምግላጽ፡ ብህጹጽ ልዝብ ንክጅመር ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ክግበር ጻዊዒት ምቕራቡ ይፍለጥ። ብኻልእ ወገን ሎሚ ኣብ ባህርዳር ተረኺቡ መግለጺ ዝሃበ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ መድረኽ ሃገራዊ ምኽክር፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርኣዩ ፍልልያትን ዘይምትእምማን ብሰለማዊ መንገዲ ንምፍታሕ`ዩ ምባሉ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብቲ ቦታ ጸብጺባ`ላ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%B2%E1%89%A1-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%88%9D%E1%8B%AD%E1%8B%AD%E1%8C%A5-%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%8C%A0%E1%89%93%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8A%AE%E1%8A%90%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3-%E1%8B%B2%E1%8A%93-\/6368782.html"} {"headline":"ህወሓት ኣብ ልዕሊ ዩኒቨርሲቲ ወልድያ ከቢድ ዕንወት ምውራዱ ፕረዚደንት'ቲ ዩኒቨርሲቲ ሓቢሩ","content":"ኣብ ሰሜን ወሎ ትርከብ ከተማ ወልድያ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ህወሓት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ዩኒቨርሲቲ ወልድያ ከቢድ ጉድኣት ከምዝወረዶ ፕረዚደንት`ታ ዩኒቨርሲቲ ኣቶ ኣበበ ግርማ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ። ኣቶ ኣበበ ግርማ ብዛዕብኡ ክገልጽ ከሎ፡ ሓይልታት ህወሓት ልዕሊ 6 ቢልየን ብር ዝግመት ንብረት`ቲ ዩኒቨርሲቲ ዘሪፎምን ኣዕኒዮምን`ዮም ብምባል እቲ ዩኒቨርሲቲ ስርሑ ዳግም ክጅምረሉ ናብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ `ሎ ኢሉ። ሓደ ሽሙ ክግለጸሉ ዘይደለየ ነባሪ ወልድያን ኣባል`ቲ ዩኒቨርሲቲን ዝኾነ ሰብ ብወገኑ ንድምጺ ኣመሪካ ክገልጽ ከሎ፡ ሓይልታት ህወሓት ካብ ፖለቲካ ናጻ ኣብ ልዕሊ ዝኾነን ንብዙሓት ኢትዮጵያውያን ብምንጪ ፍልጠት ዘገልግልን ዩኒቨርሲቲ ዝፈጸምዎ ተግባር ብገበን ዘሕትት ጥራይ ዘይኮነ ብታሪኽ`ውን ዘውቅስ`ዩ ኢሉ። ህወሓት ቅድሚ ሎሚ ከምዚ ዓይነት ዝቐረበሉ ክስታት ኣሉታዊ መልሲ ምሃቡ ይፍለጥ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%89%A8%E1%88%AD%E1%88%B2%E1%89%B2-%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%8B%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A8%E1%89%A2%E1%8B%B5-%E1%8B%95%E1%8A%95%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%AB%E1%8B%B1-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%89%B2-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%89%A8%E1%88%AD%E1%88%B2%E1%89%B2-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9-\/6368757.html"} {"headline":"ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብዝተላዕለ ግጭት 2,700 ማእከላት ጥዕና ምዕናወን ሚ\/ጥዕና'ታ ሃገር ገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ከባብታት ብዝተላዕለ ግጭት ልዕሊ 2,700 ትካላት ጥዕና ከም ዝዓነዉ ሚንስትሪ ጥዕና`ታ ሃገር ኣፍሊጡ። ብመሰረት ክሳብ ሕጂ ብዘሎ መረዳእታ ኣብ ክልል ኣምሓራ 41 ሆስፒታላት ኣብ ክልል ዓፋር ድማ ሓደ ሆስፒታል ዓንዩ ዝበለት ሚንስተር ጥዕና ዶ\/ር ሊያ ታደሰ፡ ልዕሊ 400 መደበራት ጥዕና`ውን ምዕናወን ገሊጻ። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ብዝተገብረ ዳግመ-ህንጸት ፡11 ሆስፒታላት ናይ ህጹጽን መሰረታውን ሕክምና ኣገልግሎት ክህባ ከምዝጀመራ`ውን ሓቢራ`ላ። ብሰንኪ`ቲ ኩናት ጾታዊ በደል ዝተፈጸመን ኣዋልድን ኣዴታትን ድማ ኣብተን ሆስፒታላት ኣብ ዝተዳለወ ማእከላት ሓገዝ ክረኽባ ምጅማረን ዶ\/ር ሊያ ታደሰ ጠቒሳ`ላ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-2-700-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%8A%93%E1%8B%88%E1%8A%95-%E1%88%9A-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6368749.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ኲናት ንምቕጻል መደብ ከም ዘይብሉ ይሕብር","content":"ሚኒስተር መራኸቢታት ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ ፈደራላዊ መንግስቲ ናብ መሬት ክልል ትግራይ ኣትዩ ኲናት ክቕጽል መደብ ከም ዘይብሉ ገሊጹ። ብተመሳሳሊ ምክትል ሚኒስተር ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን’ውን ንናይ ወጻኢ ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ንውሽጢ ትግራይ ኣትዮም ክዋግኡ ሸውሃት ከም ዘይብሎምን ነቲ ኲናት ዝውድእሉ መገዲ ኣብ ምንዳይን ከም ዘለዉ ገሊጹ። እዚ መግለጺ ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ዝተዋህበ ንገለ ቦታታት ትግራይ ከም ዝሓዘ ትማሊ ብማዕከናት ዜና ኣብ ዝቃላሓሉ እዋን’ዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ምምሕዳር ትግራይ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንስለ ሰላም ኢሎም ዝገበሩዎ ምንስሓብ ካብቶም ወረርቲ ዝበሉዎም ኣካላት ተመሳሳሊ ስጕምቲ እንተዘየርእዩ ዝግባእ ግብረ-መልሲ ክህቡ ምዃኖም ኣጠንቂቖም። እቲ ብማእከላይ መንግስቲ ካብ መዝነቱ ዝተኣልየ ምምሕዳር ንዂናት ኣብ ምቅርራብን ምጥቃዕን ኣለዉ ኢሉ ቀንዲ ዝውንጅሎም፡ ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ፡ ሓይልታት ኤርትራን ሚሊሻ ክልል ኣምሓራን’ዮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8D%E1%88%BD%E1%8C%A2-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%95%E1%8C%BB%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%8B%B0%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%88%9D-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8B%AD%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%AD\/6366934.html"} {"headline":"ኲናት ዝወለዶ ስነ-ኣእሙራዊ በሰላ ንምፍዋስ","content":"ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣቝጺሩ ዘሎ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ በበይኖም ኣካላት ሕብረተሰብ ሰፊሕ ስነ-ኣእሙራዊ በሰላ ይሓድግ ምህላዉ ፍሉጥ ኰይኑ፡ ኣብ ኣደታትን ህጻናትን ዝወርድ ዘሎ ሃስያ ግን ሕልፊ’ዩ። ኰኾብ ገብሩ እምበኣር ብሞያኣ ኣብዚ ስራሕ ንምቅላል ትሰርሕ ዘላ መንእሰያ’ያ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8B%B6-%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%8A%A3%E1%8A%A5%E1%88%99%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%89%A0%E1%88%B0%E1%88%8B-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%8B%8B%E1%88%B5\/6367578.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ብቫይረስኮሮና ዝተሓዙ ሰባት ምውሳኹ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ንዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ለበዳ ኮቪድ19 ካብ 3% ናብ 20% ምድያቡ ሚንስትሪ ጥዕና ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት ልዕሊ 8,000 ምብጽሑን እቲ ሽፋን ዝርግሐ ምውሳኹን ሚንስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ\/ር ሊያ ታደሰ ኣፍሊጣ`ላ። እታ ሚንስተር ኣተሓሒዛ፡ ኣብዚ እዋን`ዚ ዝርግሐ ለበዳ ኮቪድ19 ብዘይተጸበየ ኩነታት ብምውሳኹ፡ ብጽኑዕ ሓሚሞም ክትትል ዝግበረሎም ዘሎ ተሓከምቲ ልዕሊ 140 ሰባት ምብጽሑ ሓቢራ። ኣብ ራብዓይ ማዕበል ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘሎ ቫይረስ ፈልቂ ኦሚክሮን ኣብ ኢትዮጵያ ምህላዉን ዘይምህላዉን ግን ገና ብሰብ-ሞያ መርመራ ይግበር ምህላዉ ዶ\/ር ሊያ ታደሰ ሓቢራ`ላ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%89%A5%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%93%E1%8B%99-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%B9-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6366953.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ተነቢሮም ዝጸንሑ ውሳነታት ሰዓታት እቶ እቶን ካልኦትን ምልዓሎምን ምምሕያሾምን ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ምስ ወፍሪ ህልውና ተተሓሒዙ ተዓጽዩ ዝነበረ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ንክኽፈቱን ተነቢሩ ዝነበረ ሕላፍ ሰዓት ብኸፊል ክልዓልን ምውሳኑ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣፍሊጡ። ዋና ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ኣቶ ግዛቸው ሙሉነህ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣባላት ቤት ምኽሪ`ቲ ኽልል ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ፡ ምስ ወፍሪ ህልውና ተተሓሒዞም ተመሓላሊፎም ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ከም ዝተላዕሉን ከም ዝተመሓየሹን ኣፍሊጡ። ከምኡ`ውን ብደረጃ ሃገር ክካየድ ብዛዕባ ዝተባህለ ሃገራዊ ምይይጥ ብዝምልከት ካብ ጋዜጠኛታት ንዘቐረበሉ ሕቶ ክምለስ ከሎ፡ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ምስ ፈደራል መንግስቲ ተመሳሳሊ መርገጺ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ`ሎ። ብኻልእ ወገን ወራሪ ሓይሊ ብዝበሎ ህወሓት ኣብ ሰብን ንብረትን ዘውረዶ ሰፍ ዘይብል ጉድኣት ዘጻሪ መርማሪ ኮሚቴ ቆይሙ ኣሎ ኢሉ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%89%B0%E1%8A%90%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%91-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%8B%93%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A5%E1%89%B6-%E1%8A%A5%E1%89%B6%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8B%93%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%AB%E1%88%BE%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9-\/6366980.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ንከተማ አላማጣ ምቁጽጻሩ አጃንስ ፍራንስ ሓቢሩ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ወተሃደራቱ ንሓንቲ ኣብ ደቡብ ትግራይ ትርከብ ከተማ ካብ ተዋጋእቲ ትግራይ ዳግም ከምዝሓዙ ኣፍሊጡ ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምንስሓቡ ብምግላጽ ኩናት ጠጠው ክብል ኣብዚ ሰሙን`ዚ ዝጸውዐ ዕጡቕ ጉጅለ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ነቲ መንግስቲ ዝበሎ ምትሓዝ ከተማ ትግራይ ምላሽ ኣይሃበሉን። ብመሰረት ጸብጻብ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ፡ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ \"ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንሓይሊ ጸላኢ ጸሪጉ ንከተማ ኣላማጣ ተቖጻጺርዋ`ሎ\" ድሕሪ ምባል እቲ ኩናት ከምዝቕጽል ኣመልኪቱ`ሎ።። ዘይተረጋገጸ`ኳ እንተኾነ፡ ህወሓት ካብ ኣምሓራን ዓፋርን ምውጽኡ ነቲ 13 ኣዋርሕ ዘቑጸረን ህይወት ኣሸሓት ዘጥፈአን ሰብኣዊ ቅልውላው ዝፈጠረን ግጭት ተስፋ ዝህብ ኮይኑ ተራእዩ ኔሩ`ዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%93%E1%8A%95%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B5%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8B%B3%E1%8C%8D%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%88%93%E1%8B%99-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%A0%E1%8C%83%E1%8A%95%E1%88%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AB%E1%8A%95%E1%88%B5-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6365369.html"} {"headline":"ኣቶ ኣብርሃ ደስታ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም","content":"ኣቦ ወንበር ዓርና ትግራይ ኣቶ ኣብርሃ ደስታ ብናይ 10,000 ብር ዋሕስ ትማሊ ሰሉስ ተፈቲሖም።ከም ሓበረታ ጠበቕኦም፡ስልኮም ብፖሊስ ብምትሓዙ ክንረኽቦም ኣይክኣልናን። ኣቦ ወንበር ውድብ ዓረና ትግራይን ፌደራል መንግስቲ ንትግራይ ተቖፃፂዎ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣባል ካብኔ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብምዃን ሓላፊ ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይ ዝነበሩ ኣቶ ኣብርሃ ደስታ ድሕሪ ናይ 82 ማዕልታት ማእሰርቲ ትማሊ ሰሉስ ብዋሕ ምፍትሖም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡኮም ገሊፆም ኣለው። ተደጋጋሚ ስልኪ ደዊልና ስልኮም ኣይተልዓለን።ካብ ናይ ሕጊ ጠበቕኦም ኣቶ ተስፍኣለም በርሀ ንምርዳእ ከምዝኽኣልናዮ ስልኮም ብፖሊስ ተታሒዙ ክሳብ እዚ ቃለ ምልልስ ነካይድ ኣይተመለሰሎምን። ኣቶ ኣብርሃ ደስታ ቅድሚ እቲ ኣዋጅ ግዜ 21 መስከረም 2014 ዓ\\ም ብጥርጣረ ከምዝኣሰሩዎምን ንህወሓት ትድግፍ ኢኻ ብዝብል ክሲ ክመላለሱ ድሕሪ ምፅናሕ ድሕሪ ኣርብዓ ማዕታት ዓቃቢ ሕጊ ዘኽስስ እንተሃሊዩዎ ክሲ ክቕርብ ተዘይኮይኑ ግን ክዓፅዎ ዓሰርተ ማዕልቲ ከምዝ ሃበን ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ብዘይዝኾነ ይኹን ክሲ ናብ ቤት ፍርዲ እውን ከይቐረቡ ተኣሲሮም ምፅንሖም ኣቶ ተስፍኣለም ገሊፆም። ብዘቕረቡዎ ጥርዓን ቤት ፍርዲ ዝሓለፈ ዓርቢ ብዝሃቦ ውሳነ ክሳብ ትማሊ ኣፅኒሖም ከምዝፈትሑዎ ወስኹ ገሊፁ ኣቶ ተስፍኣለም። ቅድሚ እቲ ኣዋጅ ብጥብቅና ጠጠው ዝበሉሎም ብዙሓት ሰባት ከምዝነበሩ ብምሕባር ድሕሪ እቲ ኣዋጅ ‘’ዝተሓፈሱ’’ ዝበሉዎም ተጋሩ ግን ኣበይ ከምዘለው ከምዝይፍለጥን ናብ ቤት ፍርዲ እውን ከምዘየቀረቡን ሓቢሩ። ዓለምለኸ ተሓለቕቲ ሰብዊ መሰላትን ተወለድቲ ትግራይን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታትን ዝነብሩ ተጋሩ ብሰፊሑ ተኣሲሮምን ይእሰሩን ከምዘለው ይገልፁ። ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን 18 ሕዳር 2021 ኣ\\ፈ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ በዝሒ ዝተኣሰሩ ምፍላጥ ከምዘይክኣለን መብዛሕቲኦም እሱራት ግን ናይ ትግራይ መቦቀል ዘለዎም ምዃኖም ይገልፅ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopian-opposition-leader-abraha-desta-released-from-prison\/6365268.html"} {"headline":"ተበጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ኢትዮጵያ ገና ትሕቲ ትጽቢት ምዃኑ ወሃብ-ቃል ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ","content":"ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኵነታት፡ ብመዳያት ጸጥታን ሰብኣዊ ተበጻሕነት ኣዝዩ ኣሻቓሊን ተለዋዋጢን’ዩ ክብል ወሃብ-ቃል ሕቡራት ሃገራት ፈራሓን ሓቅ ኣብ ሰሙናዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቱ። ገለ ተመዛበልቲ ክልል ኣምሓራ ንስፍራኦም ይምለሱ ምህላዎም ዝሓበረ እቲ ወሃብ-ቃል፡ ብሰንኪ ዘሎ ሕጽረታት መራኸቢታትን መጓዓዝያን ግን እቲ ቅኑዕ ቍጽሪ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ምዃኑ ጠቒሱ: ኣብ ክልል ዓፋርን ምዕራብ ትግራይን እቲ ምምዝባል ይቕጽል ምህላዉ ኣመልኪቱ። ሰራሕተኛታት ረዲኤት ብናጻ ምንጪ ከረጋግጹዎ ዕድል ደኣ ኣይርከቡ’ምበር፡ ኣብ ኣላማጣን ደቡብ ትግራይን ብዛዕባ ዝተኻይደ መጥቃዕታት ድሮንን ነፈርቲን ሓበሬታ ከም ዝበጽሖምን ህይወት ሓያሎ ሰባት ምውሳዱ ከም ዝተገንዘቡን ‘ውን ኣመልኪቱ። ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚረን ናብ መቐለ ብመገዲ ዓፋር ዝኣተዋ ናይ ሓገዝ መካይን ከም ዘይነበራ ዝጠቐሰ እቲ ወሃብ-ቃል፡ 20 መካይን ሓገዝ ዝሓዘ ቃፍላይ ግን ንመወዳእታ ጸጥታዊ ምርመራ ኣብ ክልል ዓፋር ከም ዘሎን ኣብ ቀረባ እዋን ንመቐለ ክኣቱ ተስፋ ከም ዘለዎን ሓቢሩ። ፈርሓን ሓቅ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፡ ዓፋርን ትግራይን ሓገዝ ንምብጻሕ ኣጸጋሚ ማዕንቖ ኰይኑ ኢሉ ዝጠቐሶ፡ ስእነት ቀረባት ነዳዲ፡ ገንዘብን ምውሳኽ ብዝሒ ተመዛበልቲን’ዩ። በቲ ኣጋጣሚ ድማ ኣብቲ ኲናት ኢድ ንዘለዎም በበይኖም ኣካላት፡ ንዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዛት መስመር ክኽፈቱ ጸዊዑ። ኣብ ደቡብን ደቡባዊ ምብራቕ ኢትዮጵያን ሓደጋታት ደርቂ የንጸላሉ ምህላዉ’ውን ካልእ ሻቕሎት ምዃኑ እቲ ወሃብ-ቃል ገሊጹ'ሎ። ኣብ መወዳእታ ድማ ንኢትዮጵያ ዝደለ ሰብኣዊ ሓገዝ ካብቲ ትጽቢት ዝገበረሉ መጠን ብ1.2 ቢልዮን ዶላር ትሒቱ ከም ዘሎ ጠቒሱ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%89%A0%E1%8C%BB%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8C%88%E1%8A%93-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%89%B5%E1%8C%BD%E1%89%A2%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%91-%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A5-%E1%89%83%E1%88%8D-%E1%88%95%E1%89%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6364920.html"} {"headline":"“ንምንስሓብ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዘተስፉ ስጕምቲ’ዩ” ወሃብ-ቃል ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ","content":"ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝነበረ ስሩዕ ጋዜጣዊ መግለጺ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ወሃብ-ቃል’ቲ ክፍሊ ነድ ፕራይስ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ምዕባለታት ተሓቲቱ ነይሩ። “ብመገዲ ኣምባሳድር ጀፈሪ ፈልትማን ንሽምግልና ተቐናንቐንቲ ወገናት ዝገብር ጻዕሪ እንታይ ውጽኢት ሂቡ፧ እዚ ኣብ ባይታ ዘካየድ ዘሎ ምዕባለታት’ከ ኣብ ግምታት ዋሺንግተን ዝነበረ ዲዩ፧\" ዝብል ሕቶ ጋዜጠኛታት፥ ፕራይስ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕን ተጻብኦታት ንምውጋድን ብወገን ምምሕዳሮም ቀጻሊ ስራሓት ከም ዘሎ ሓቢሩ። ብተወሳኺ እቲ ወሃብ-ቃል “ኣመሪካ ብምይይጥን ዘተን እምበር ብወታሃደራዊ ሓይሊ ዝፍታሕ ግጭት ዘይምዃኑ’ዩ ትኣምን” ድሕሪ ምባል፡ ስእነት ጸጥታ ኢትዮጵያ ድማ ነቲ ከባቢ ብሕማቕ ክጸልዎ ከም ምዃኑ ገሊጹ። ፕራይስ ኣብ መግለጺኡ፡ ምስሓብ ሰራዊት ትግራይ ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብጽቡቕ ከም ዝርእዩዎን ደጋጊሞም ክጽውዑዎ ዝጸንሑን ምዃኑ ኣመልኪቱ። ምስሓብ ሰራዊት ትግራይ ካብ ጎረባብቲ ክልላት ድማ ንዘተን ሰላማዊ ዕርቂ ባይታ ዝኸፍት ክኸውን ተስፋ ከም ዘለዎ ድሕሪ ምግላጽ: እቲ ወሃብ-ቃል ጸቒጡ ዝጠቐሶ ግን ንዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ማዕጾ ምኽፋትን ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ዜጋታት ዝግበር በደላት ደው ክብል ምግባርን’ዩ ኢሉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%88%93%E1%89%A5-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%89%B0%E1%88%B5%E1%8D%89-%E1%88%B5%E1%8C%95%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%8B%A9-%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A5-%E1%89%83%E1%88%8D-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB\/6363553.html"} {"headline":"ከተማ ላሊበላ በዓል ልደት ንምኽባር ትዳለው ምህላው ተገሊጹ","content":"ዕጡቓት ህወሓት ሒዞም ዝነበረ ከተማ ላሊበላ በዕል ልደት ንምኽባር ይዳሎእሎ ክብል መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ። ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዚምን ክልል ኣምሓራ ኣቶ ኤርምያስ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ በዓለ ልደትን ጥምቀትን ሓዊሱ ብዝደመቀ ኩነታት ንምኽባር ቅድመ ምድላዋት ይካየድ ምህላው ሓቢሮም። ኣብዚ በዓላት ዝመጹ ሓደስቲን ነባራትን ዕዱማት በጻሕቲ ሃገርን ንምትእንጋድ ቅድመ ምድላዋት ተገይሩ'ሎ ምባሎም ሪፖርተርድምጺ ኣመሪካ ካብ ባህርዳር ሓቢራ'ላ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%8B%E1%88%8A%E1%89%A0%E1%88%8B-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%88%8D%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%89%B5%E1%8B%B3%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6363590.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ሕጽረት ቀረባት መድሃኒት ኣስታት 50 ሽሕ ሰባት ንሓደጋን ሞትን ምቕልዖም ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ቀረባት መድሃኒት ብዘይምእታዉ ንልዕሊ 50 ሽሕ ዝበጽሑ ተሓከምቲ ዘይተመሓለለፍቲ ሕሙማት ንሓደጋን ሞትን ኣሳጢሑ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%88%95%E1%8C%BD%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%88%A8%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%83%E1%8A%92%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-50-%E1%88%BD%E1%88%95-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B%E1%8A%95-%E1%88%9E%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%88%8D%E1%8B%96%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9-\/6364004.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ሳልሳይ ዋዕላ ቱርኪን ኣፍሪቃን ንምሕያል ክልቲኣዊ ዝምድና ዕድል ምፍጣሩ ገሊጻ","content":"ሳልሳይ ዋዕላ ቱርኪን ኣፍሪቃን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ዝጠመተን ርእሰን ክኽእላን ምትሕብባር ከምዝድልይን ብትኹረት ከምዝተዘራረበሉ ተሓቢሩ።ዓለምለኸ መድረኻት ንሃገራት ኣፍሪቃ ፍትሓዊ ክኾኑ'ውን ሓሳብ ቀሪቡ። ናይ ኢትዮጵያ ልኡኽ እውን ኣብ ክልቲኣዊን ናይ ሓባር ጉዳያት ምስ ናይ ቱርኪ መዘናታቶም ምዝርራቦም ተገሊፁ ኣሎ። \"ፅኑዕ ምትሕብባር ንሓባራዊ ልምዓትን ብልፅግናን’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ቱርኪ ኣንካራ ኣብዝተኻየደ ሳልሳይ ዋዕላ ቱርኪን ኣፍሪቃን መራሕቲ ጉባኤ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝፈጥርኦ ዓለምለኸ ርክብ ንገዛእ ርእሰን ክኽእላንን ሓባራዊ ረብሕአን ዝሕልወለንን ክኸውን ከምዘለዎ ኣስሚሮም ከምዝተዘራረበሉ ናይ ምክልት ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮምኒኬሽን ሰላማዊት ካሳ ንጋዜጠኛታት ገሊፀን። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገፆም ኣብ ዘስፈሩዎ ፅሑፍ ጎኒ ንጎኒ እቲ ጉባኤ ኣባላት ጉጅለ ልኡኾም ምስ ፕረዚደንት ኤርዶዋን ኣብ ክልትኣዊ ጉዳያት ዝርርብ ከምዘካይዱ ገሊፆም ኣለው። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%B3%E1%88%8D%E1%88%B3%E1%8B%AD-%E1%8B%8B%E1%8B%95%E1%88%8B-%E1%89%B1%E1%88%AD%E1%8A%AA%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%AB%E1%88%8D-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B2%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%8A%93-%E1%8B%95%E1%8B%B5%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%8C%A3%E1%88%A9-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BB\/6362141.html"} {"headline":"ኣብ1967 ምስ ተኸፍተ ገና ዘይተዓጽወ ማዕጾ ስደት ኤርትራውያን","content":"ብምኽንያት ዓለምለኸ መዓልቲ ስደተኛታት (18 ታሕሳስ) ሎሚ ከኣ ኣብ ዓውዲ ጉዳይ ስደተኛታት ነዊሕ ዓመታት መጽናዕቲ ዘካየደ ፕሮፈሰር ጋይም ክብርኣብ ካብ ሎንዶን ኣዘራሪብናዮ ኣሎና። ኣብ ቀረባ እዋን ጥሮታ ዝወጸ ፕሮፈሰር ጋይም ደራሲ ብዙሓት መጽሓፍቲን መጽናዕታዊ ዓንቀጻትን ኰይኑ፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሎንዶን ሳውዝ ባንክ (London South Bank Univeristy) ነዊሕ ዓመታት ዝመሃረን ንጉዳይ ስደተኛታት ኣመልኪቱ መጽናዕታት ዘካየደን’ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A51967-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%8D%8D%E1%89%B0-%E1%8C%88%E1%8A%93-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8C%BD%E1%8B%88-%E1%88%9B%E1%8B%95%E1%8C%BE-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95\/6362314.html"} {"headline":"ብየማን ቅጻዕ ብጸጋም ቅጻዕ፤ መንብሮ ስደተኛታት","content":"ቀዳም 18 ታሕሳስ ዓለምለኸ መዓልቲ ስደተኛታት’ዩ። እዚ መዓልቲ’ዚ ነቶም ብዂናትን ካልእ ግፍዒን ዝተሰደዱ ጥራይ ዘይኮነስ እንኮላ ነቶም ብስራሕ ምኽንያት ናብ ካልእ ቦታ ዝገዓዙ ዜጋታት’ውን ውሕስነት ጸጥታ ክህብ ዝቖመ መዓልቲ’ዩ። ኣብዚ መደብ ምስ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፣ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ከምኡ’ውን ኣብ ሰንፈላልነት ዝርከቡ ኤርትራያውን ስደተኛታት እብ ኢትዮጵያ ኣዘራሪብና ኣሎና። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%8B%A8%E1%88%9B%E1%8A%95-%E1%89%85%E1%8C%BB%E1%8B%95-%E1%89%A5%E1%8C%B8%E1%8C%8B%E1%88%9D-%E1%89%85%E1%8C%BB%E1%8B%95-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%A5%E1%88%AE-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5\/6362300.html"} {"headline":"ዕላል ምስ መንእሰይ ስነ ጥበበኛ ብሄረ ናራ -መሓሙድ መሓመድ ኣጋር(ኣጋር)","content":"ስነ-ጥበባዊ መሓሙድ መሓመድ ኣጋር ኣብ 1982 ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ኣብ ከባቢ ቢሻ እትርከብ ኣዳራት ኣብ ትበሃል ንእሽቶ ዓዲ ተወሊዱ ኣብ ቡኮ ከባቢ ኣውጋሮ’ዩ ዓብዩ። ኣብ መድረኽ ብዝርእዮ ውዑይን ሰሓብን ምንቅስቓስ ዝልለ ስነ ጥበባዊ ኣጋር፡ ባህሊ ብሄረ ናራ ኣብ ምልላይ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገብር ዘሎን ብህዝቢ ጽቡቕ ተቐባልነት ዝረኸበ ድምጻውን ተላሃይን’ዩ። ናይ ሎሚ ጋሻ ቂሐ ጽልሚ ስነ-ጥበባዊ ኣጋር ንኣጀማምራ ስነ-ጥበባዊ ሂወቱ ብዝሃቦ መብሪሂ ይጅምር።ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ካልኣይ ክፋል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%95%E1%88%8B%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%8C%A5%E1%89%A0%E1%89%A0%E1%8A%9B-%E1%89%A5%E1%88%84%E1%88%A8-%E1%8A%93%E1%88%AB--%E1%88%98%E1%88%93%E1%88%99%E1%8B%B5-%E1%88%98%E1%88%93%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%8C%8B%E1%88%AD(%E1%8A%A3%E1%8C%8B%E1%88%AD)\/6219939.html"} {"headline":"ቂሐ-ጽልሚ ንመምህር ገብረኪዳን ደስታ ትዝክር","content":"ኣብ ባህሊ፡ ስነ-ጽሑፍን ቋንቋን ዘተኰረ ልዕሊ ሓሙሽተ መጽሓፍቲ ዘሕተሙ መምህር ገብረኪዳነ ደስታ ኣብ መበል 84 ዓመት ዕድሚኦም ዓሪፎም። ንስራሓቶምን ካልእ ጉዳያትን ኣመልኪቱ ዝተዳለወ መደብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%82%E1%88%90-%E1%8C%BD%E1%88%8D%E1%88%9A-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD-%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%8A%AA%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8B%B0%E1%88%B5%E1%89%B3-%E1%89%B5%E1%8B%9D%E1%8A%AD%E1%88%AD\/6359411.html"} {"headline":"መግለጺ ኮሚሽን ሰ\/መሰላት ሕ\/ሃ ኣብ ጉዳይ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጺሞም ዝተባህሉ ጥሕሰታት","content":"ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ምስ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብምኳን ኣብ ዘካየዶ ሓባራዊ መርመራ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝተፈፀመ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዋላ መጠኑ ይፈላለ ንሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሓዊሱ ሓይልታት ትግራይን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ተሳተፍቲ ምንባሮም ዝረኸቦ ውፅኢት ይሕብር ክብል እዩ እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ። እቶም ዝተፈፀሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ጥሕሰታት ዓለምለኸ ሕግታት ሰብኣዊነትን ስደተኛታትን ዝሓወሱ ኾይኖም ፤ገሊኦም ብዓለምለኸ ገበን ከሕትቱ ዝኸእሉ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንፃር ሰብኣውነት ዝኣምሰሉ ፍፃመታት ይርከብዎም ክብላ ነቲ ፀብፃብ ዘቕረባ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለወይቲ ምኽትል ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ናዳ ኣልናሺፍ ገሊፀን። እዚ ሪፖርት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ንኹሎም ተፃባእቲ ወገናት ግፍዕታትን ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ጠጠው ከብሉ፣ ሲቪል ማሕበረስብን ትካላቱን ካብ መጥቓዕቲ ንምክልካል ኩሎም ኣድለይቲ ዘበሉ ስጉምትታት ክወስዱ ብዘይ ቅድመ ኩነት ጎንፂ ጠጠው ኣቢሎም ዕንቅፋታት ሰብኣዊ ሓገዛት ከልዕሉ ዝበሉ ሓበሬታታት ዝሓቘፈ ምዃኑ ተዛሪበን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%9E%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%89-%E1%8C%A5%E1%88%95%E1%88%B0%E1%89%B3%E1%89%B5\/6359401.html"} {"headline":"ቤት ምኽሪ ሰ\/መሰላት ሕ\/ሃ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጺሙ ዝተባህለ ጥሕሰት ክጻረ ተሰማሚዑ","content":"ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ ሕብረት ኤውሮጳ ሓዊሱ ነቲ ኣኼባ ዝጸወዓ ኣባል ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጺሙ ዝበልኦ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘጻሪ ዘይሻራዊ ጉጅለ ንኽቀውም ሓቲተን። ወኪላት ሃገራት ኣፍሪቃ ብወገኖም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኣኼባ ምጽዋዑ ተቃዊሞም: ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ዝገብሮ ጻዕሪ ንክኽበር ሓቲቶም። ኣብ ጀኔቫ ዝተኻየደ ፍሉይ አኼባ ስዒቡ መግለጺ ዘውጽአ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ቤት ምኽሪ ሕ\/ሃ ምስቲ ኮሚሽን ተሓባቢሩ ዘካየዶ መርመራ እናሃለወ ኣብ ተመሳሳሊ ጊዜ ንዝተፈጸሙ ምግሃሳት ካልእ ጉጅለ ምቋም ዘየድሊ እዩ ክብል ተቃውሞኡ ኣስሚዑ'ሎ።\\n​","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%88%B0-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%99-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%88-%E1%8C%A5%E1%88%95%E1%88%B0%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8C%BB%E1%88%A8-%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%88%9B%E1%88%9A%E1%8B%91\/6359377.html"} {"headline":"ሓይልታት ህወሓት ኣብ ታሪኻዊን ናይ ቱሪዝምን ቦታታት ከተማ ደሴ ዕንወትን ዝምታን ምፍጻሞም ተገሊጹ","content":"ሓይልታት ህወሓት ንኸተማ ደሴ ተቆጻጺሮም ኣብ ዝነበርሉ እዋን ኣብታ ኸተማ ዝርከቡ ታሪኻዊን መሰሕብ ቱሪስትን ዝኾኑ ቦታታት ዓብይ ዕንወትን ዝምታን ፈጺሞም ክብል ናይ ከተማ ደሴ መምርሒ ባህልን ቱሪዝምን ገሊጹ። ብፍላይ ኣብ ኣብ ቤተመዘክር ደሴ ዝርከብ መንፈሳዊ ታሪኻውን ባህላዉን ተንቀሳቀስቲ ሓድግታት ከምዝተዘመቱ: ብኹዕታ ዝተረኽቡ ጥንታዊ ናይ መገልገሊ ናውትን ድማ ምዕናዎም እቲ ቤት ዕዮ ገሊጹ'ሎ። ኣቶ ሰይድ ኣራጋው ሓላፊ መምርሒ ቱሪዝምን ስፖርትን ደሴ ከምዝበልዎ ናይ ወሎ ኣምሓራን ኢትዮጵያ ታሪኽ ሒዙ ዝነበረ ዝበልዎ ቤተመዘክር ደሴ ብሓይልታት ሕወሓት ተዘሚቱ ካብ ጠቅሚ ወጻኢ ኾይኑ፤ ኣብኡ ዝነበሩ ናይ ሓለዋ 26፡ ካሜራታት ምስ መግጠሚ ኡ ተወሲዱ ኢሎም። ሓይልታት ህወሓት ብምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ኾነ ዕንወት ንብረት ንዝቀርቦም ክስታት ኣሉታ ክህቡ ምጽንሖም ይፍለጥ።\\n​","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8B%B0%E1%88%B4-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%86%E1%8C%BB%E1%8C%B8%E1%88%AD%E1%88%89-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B3%E1%88%AA%E1%8A%BB%E1%8B%8A%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%95%E1%89%A5-%E1%89%B1%E1%88%AA%E1%8B%9D%E1%88%9D-%E1%89%A6%E1%89%B3%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%95%E1%8A%95%E1%8B%88%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%89%B3%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%8C%BB%E1%88%9E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6359333.html"} {"headline":"ሃገራዊ ማሕበር ሕማም ሽኮርያ ኤርትራ ኣባላቱ ብኣወንታ ንኽነብሩ ከምዝሰርሕ ገሊጹ","content":"ሃገራዊ ማሕበር ሕማም ሽኮርያ ኤርትራ ምስ ሕማም ሽኮር ብዝነብሩ ግዱሳት ኣባላት ኣብ ትሕቲ ጽላላ ሚኒስትሪ ጥዕና ብ 1998 ዝተመስረተ ኮይኑ ዝተፈላለዩ ጽሑፋትን ፖስተራትን ብምድላውን ፡ኣስተምህሮታትን ሰሚናራትን ብምሃብን ኣባላቱ ኣፍልጥኦም ብምብራኽ ብኣወንታ ንኽነብሩ ዓቢ ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ ኣቦ- ወንበር ናይ’ቲ ማሕበር ዶክተር ጎይትኦም መብራህቱ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት ገሊጹ።ቀንዲ ጠንቅታታ ሕማም ሽኮር ዘይጥዑይን ዘስርዑን ኣመጋግባን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይምዝውታር ከምዝኾነ ዝገለጸ ዶ\/ር ጎይትኦም ዜጋታት ሽኮራዊ መግብታትን ጨውን ብብዝሒ ካብ ምምጋብ ን፡ሽጋራን ኣልኮላዊ መስተን ካብ ምውሳድን ክቑጠቡን ኣካላዊ ምቅስቓስ ከዘውሩን መኺሩ’ሎ። ኣቦ ወንበር ናይ’ቲ ማሕበር ዶክተር ጎይትኦም ንቀንዲ ንጥፈታት ናይ’ቲ ማሕበር ብምግላጽ መብርሂኡ ይጅምር። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%88%95%E1%88%9B%E1%88%9D-%E1%88%BD%E1%8A%AE%E1%88%AD%E1%8B%AB-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B1-%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%88%E1%8A%95%E1%89%B3-%E1%8A%95%E1%8A%BD%E1%8A%90%E1%89%A5%E1%88%A9-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6357868.html"} {"headline":"ማእከል ጥዕና ዓብይ-ዓዲ ኣብ መንቀራቕሮ","content":"ማእከል ጥዕና ዓብይ-ዓዲ ንኣስታት 30-ሽሕ ህዝቢ ኣገልግሎት ጥዕና እትህብ ዝነበረት ማእከል፡ ተወሳኺ 50-ሽሕ ተመዛበልቲ ተወሲኾማ ኣብ ምንታይ ኩነታት’ኮን ትህልው ንዝብል ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ናብቲ ቦታ ተጓዒዙ ኣሎ ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8D-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8B%93%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8B%93%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%80%E1%88%AB%E1%89%95%E1%88%AE\/6357705.html"} {"headline":"ትካላት ሲቪል ማሕብረሰብ ትግራይ ጻውዒት ኣቕሪቦም","content":"ልዕሊ 60 በርጌሳውያን ትካላት ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ትግራይ ይፍጸም ኣሎ ንዝበለኦ ግፍዕታት ደው ክብል ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺአን። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንተወላዶ ትግራይ ብፍሉይ ዒላማ ዝገበረ ማእሰርቲ ከም ዘየለ’ዮም ዝመልክቱ። ሚኒስተር መራኸቢታት’ታ ሃገር ዶክተር ለገሰ ቱሉን ወሃብ ቃል፡ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣምባሳድር ዲና ሙፍቲን ኣብ በበይኑ ኣጋጣሚ ተሓቲቶም፡ “ብተግባሩ እምበር ብምኽንያት መንነቱ ዝተኣስረ ሰብ የሎን፡” ክብሉ መሊሶም። ንምጽናት ዓሌት (ጀኖሳይድ) ዝምልከት’ውን ላዕለዎይቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚቸል ባችለት፡ ኣብ እዋን ጸብጻብ ምቕራብ ኣብ ዝተሓታትሉ እዋን፡ “ንዓሌት ምጽናት ዘመልክትን 'ጆኖሳይድ' ኢልካ ክትጽውዖ ዘኽእልን” ገበናት ዛጊት ኣይመዝገብናን፡” ኢለን ነይረን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%B2%E1%89%AA%E1%88%8D-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8C%BB%E1%8B%8D%E1%8B%92%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%95%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/6357620.html"} {"headline":"ሓድሽ ማዕበል ግፍዒ ኣብ ምዕራብ ትግራይ","content":"ዓለምለኸ ተሓለቕቲ ትካላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናልን ህዩማን ራይትስ ዎትችን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ግፍዕታት ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺኦም። ሓይልታት ፀጥታ ኣምሓራ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ እናወሰኸ ንዝመፀ ጃምላዊ ማእሰርቲ፣ቅትለትን ብሓይሊ ምብራርን ተሓተቲ እዮም ኢሉ ሎማዕንቲ ሓሙስ ዝወፀ ሓባራዊ ሪፖርት ። ካብ ሓዱሽ ማዕበል ህውከት ንምህዳም ይፍትኑ ዘለው ትግራዎት ስቪላት መጥቓዕቲ ተፈሚዎምን ተቐቲሎምን ይብል እቲ ሓባራዊ ፅብፃብ።ዓሰርተታት ድማ ኣብ መዳጎኒታት መስቀይቲ፣ምጥማይን ምኽላእ ሕክምና ሓዊሱ ንህይወት ኣብ ዘስግእ ኩነታት ይርከቡ። ‘’ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ብዙሓት ከተማታት ብሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዝካየድ ሓዱሽ ከቢድ መግሃስትታት መጠንቀቕታ ደወል እዩ’’ ኢላ ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዳይረክተር ግብረ መልሲ ቅልውላው ጆኣን ማሪነር። ‘’ተወሳኺ ግፍዒታት ንምውጋድ ዓለምለኸ ስጉምቲ እንተድኣ ዘይተወሲዱ ተጋሩ ብፍላይ ድማ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣብ ከቢድ ሓደጋ እዮም ዘለው’’ኢላ ብምውሳኽ። ዓሚ ሕዳር ወታደራዊ ግጭት ካብ ዝጅመር ምዕራብ ትግራይ ቅትለታት፣ብዘይፍሊያ ብከቢድ ብረት ምድብዳብን ሰፊሕ ምምዝባል ተወለድቲ ትግራይን ሓዊሱ ጭካነታት ዝተፈፀምዎም ከባቢ እዩ። ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ፅሕፈት ኣዋሃዲ ሰብኣዊ ጉዳያት ኦቻ 2 ታሕሳስ 2021 ኣ\\ፈ ከምዝሓበሮ እቲ ግጭት ካብ ዝጅመር 1.2 ሚሊዮን ሰባት ካብ ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢሎም ኣለው። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 9 ታሕሳስ ብዝወፀ ፀብፃብ ኦቻ ካብ 25 ሕዳር ክሳብ 1 ታሕሳስሓደ ኣብ ዘሎ እዋን ልዕሊ10,000ተወለድቲ ትግራይ ሓዱሽ ካብ ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢሎም ኣለው። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ህይወማን ራይት ስ ዎችን ኣብ ሕዳርን ታሕሳስን 25 መሰኻኽርን ዘምለጡን ሓዊሱ ከምኡ እውን ምስ ግዳያት እሱራት፣ዝተባረሩን ብዛዕባ ናይ ኣምሓራ ሚሊሽያታትን ሓይልታት ፀጥታ ክልል ኣምሓራን ኣብ ስቪላት ነበርቲ ከተማታት ኣደባይ፣ሑመራን ራውያን ተወለድቲ ትግራይዝተፈፀመ ን31 ሰባት ቃለ መሕትት ገይሮምሎም ኣለው። ካብ መጀመሪያ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ፋኖ ዝተብሃል ዕጡቓት ጉጅለታት ሚሊሽያ ሓዊሱ ሓይልታት ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ኣብ ሰለስቲአን ከተማታት ብስልቲ ከቢቦም ከምዝሓዝዎም እቲ ፀብፃብ ይሕብር።እዞም ሓይልታት ንስድራታት ፈልዮም ካብ 15 ዓመት ዕድመ ንላዕሊን ደቂ ተባዕቲዮን ንደቂ ኣንስትዮን ስቪላት ኣሲሮምዎም።ንደቂ ኣንስትዮን ህፃውንቲ ቆልዑን ከምኡ እውን ዝሓመሙን ብዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታትን ካብቲ ከባቢ ሰጕጎምዎም ኣለው። ‘’ተጋሩ ፆቱኦምን ዕድሚኦምን ብዘይገድስ ናብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ተወሲዶም’’ኢሉ ሓደ ሚሊሽያ ፋኖ ገዛ ንገዛ እናፈተሹ ክኣስሩ ዝርኣየ ምስክር ካብ ከተማ ራዊያን።’’ዓበይቲ ካብ መናእሰይ ፈሊዮም ገንዘቦምን ካሊእ ናውቶምን ወሲዶምዎም።ብዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታት፣ ወለዲ፣ብዓበይቲ ናይ ፅዕነት መኪናታት ፅዒኖም ወሲዶምዎም።ንቶም እናእሽቱ ገዲፎም ጥራሕ ኢዶም ሲዲዶምዎ’’ኢሉ ወሲኹ። ኣብ ሑመራ 21 ሕዳር 2021 ኣ\\ፈ ብሰባት ዝተመልኣ 20 ዝኾነ ናይ ፅዕነት መካይን ናብ ማእኸላት ትግራይ ክብገሱ ምርኣዮም ክልተ መሳኽክር ገሊፆም። ሽዱሽተ መሰኻኽር ድማ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ኣደባይ ካብ ክባ ንምምላጥ ዝደለዩ ተወለድቲ ትግራይ ቶኽሲ ብምኽፋት ከምኡ እውን ብበትርን በሊሕ ነገርን ከምዘጥቕዑዎም ገሊፆም።ቁፅሮም ዘይተፈልጡ ድማ ተቐቲሎም።’’ይሃድሙ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ምትኳስ ጀሚሮም’’ኢሉ ንዕኡን ካልኦት የጥቕዑዎም ካብ ዝነበሩ ሚሊሽያታት ፋና ዝሃደመ ወዲ 34 ዓመት ሓረስታይ ካብ ኣደባይ።’’ሰባት ከምልጡ ምስ ፈተኑ ከየምልጡ ፋኖ ብገጀራን ምሳርን ኣጥቒዖምዎም።ብሬሳታት ንሓልፍ ነይርና፣ኩላትና ሰንቢድና፣ምስተረጋጋእና ኣብኡ እውን ተወሰኽቲ ሬሳታት ነይሮም።ናብ ዝኾነ ቁሊሕ እንተይልካ ሓሙሽተ፣ ዓሰርተ ሬሳታት ተደርቢዩ ትርኢ’’ይብሉ ብምውሳኽ። ኣብ ከተማ ኣደባይ 19 ሕዳርን 5 ታሕሳስን ምንቅስቓሳት መካይን ኣብ መዳጎኒ ካምፕ ዝተኣከቡ ሰባት፣ኣብ ዋና መንገዲ ብዙሕ መጠን ዘለዎ ፍርስራስ፣ዝተቓፀሉ ህንፃታት ምስልታት ሳተላይት የርኢ። ኣብ ሕዳር ካብ ቤት ማእሰርቲ ቅድሚ ምምላጦም ኣብ ሑመራ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰለስተ ሰባት ሰበስልጣን ኣምሓራ ንነዊሕ ግዜ ኣብዚዩ ዝተፀቓቐጠ ቦታ ከምዝኣሰሩዎም ገሊፆም ኣለው። እቲ መግለፂ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ስቪላት መጥቓዕታት ጠጠው ከብሉዎ፣ብጃምላ ዝተኣሰሩ ክፈትሕን ምዕራብ ትግራት ንትካላት ረድኤት ተበፃሒ ክኸውን ክገብሩ፣ኣምነስትን ኢንተርናሽናልን ህይውማን ራይትስ ዎችን ንእሱራት ክሪኡ ክፈቅድን ኣለዎ ይብል። ክብደት ናይቲ ዝቕፀለ መግሃስታት ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ከበድቲ ዓለምለኸ ሰብኣዊ ሕጊ ሓዊሱ ተፈፂሞም እንተኾይኖም ነፃ ዓለምለኸ መስርሕ ምርመራ ግጭት ትግራይ ብቕልጡፍ ከጣይሽን ተሓተቲ ክፍለዩን ፀዊዑ ኣሎ እቲ መግለፂ። ኣብ ህይወትማን ራይት ው ዎች ዳይረክተር ቀርኒ ኣፍሪካ ላቲሻ ባደር ‘’ተግባራት ጭካነ እናወሰኹ ብምምፅኦም መራሕቲ ዓለም ዓለምለኸ ናይ ምርመራ ኣገባብ ክፍጠር ክድግፉን ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ኢትዮጵያ ኣብ ስሩዕ ኣጀንድኡ ኣቐሚጡ ክዘራረበሉን ኣለዎ’’ኢላ። ኣሽሓት ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ዝተፃበቡ ቦታት ተኣሲሮም ከምዝኾኑ ይግመት።ሰለስተ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሑመራ ተኣሲሮም ዝነበሩ ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ብተደጋጋሚ ከምዝቕጥቅጡዎም፣ከምዘሳቕዩዎምን ምግብን መድሓኒትን ከምዝኽልክሉዎምን ይገልፅ።ሓደ ብማዕልታዊ ሸቕሊ ዝናበርን ካብ ቤት ማእሰርቲ ዘምለጠን ክሳብ 200 እሱራት 3 ባ4 ሜትሮ ኣብ ዝኾነ ክፍሊ ተፀቓቒጦም ከምዝኣሰሩዎም ይገልፅ። እቲ ኽሲ ዝቐርብ ዘሎ ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት እቲ ሰፊሕ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝምርምር ዓለምለኸ ጉጅለ ንምሻም ኣብ ግምት ንምእታው ፍሉይ ኣኼባ ቅድሚ ምክያዱ ሓደ ማዕልቲ እዩ። ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ንቶም ክስታት ዛጊድ ሪኢቶ ኣይሃበሉን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/pro-ethiopian-government-ces-behind-new-wave-of-violence-in-tigray-rights-groups\/6357591.html"} {"headline":"ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ካረን ባስ፡ ምውጻእ ኢትዮጵያ ካብ ኣጋዋ ክናዋሕ ሓቲታ","content":"ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ካረን ባስ፡ ምውጻእ ኢትዮጵያ ካብ ኣጋዋ ክናዋሕ ሓቲታ። ኣደ-መንበር ንኡስ ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ባይቶ ኣመሪካ ካረን ባስ፡ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር 2 ምምሕዳር ባይደን ካብ 1 ጥሪ 2022 ጀሚሩ ተሳትፎ ኢትዮጵያ አብ “ስምምዕ ንዕብየትን ዕድላትን ኣፍሪቃ (ኣጋዋ) ከምዝኽልኽል ድሕሪ ምውሳኑ እቲ ክልከላ ቁጠባዊ ሳዕቤን ክህልዎ`ዩ ብምባል እቲ እገዳ ክጸንሕ ሓቲታ`ላ። ንሳ ኣብቲ ትማሊ​ ዘውፀአቶ መግለፂ፡ ምኽልካል ተሳትፎ ኢትዮጵያ ኣብ ኣጋዋ፡ ነቲ ብህዝቢ ኢትዮጵያን አመሪካውያን ሰብ ሃብትን ዝተረኽበ ቁጠባዊ ምዕባለ ንድሕሪት ዝዓጽፍ`ዩ ብምባል ብፍላይ ድማ ንደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ሓዊሱ ኣብቲ ህዝቢ ዝያዳ ተጠቃዕቲ ዝኾኑ ክፋላት ማሕበረሰብ ማህሰይቱ ዝኸበደ ክገብሮ`ዩ ኢላ ። ብምኳኑ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሳተፉ ዘለዉ ተፃባእቲ ኣካላት እዚ ጎንፂ ዝቋረፀሉ መንገዲ ብምንዳይ ፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝባፀሐሉን ሰላም ንኽዓስል ዘተታት ክካየዱ ኣብ ዝኽእልሉ ኩነታት ንኽመፁን ምምሕዳር ባይደን ግዜ ክህቦም ይሓትት ኢላ ። ኮንግረስዉማን ካረን ባስ እንተዘይ ኮይኑ ግን እቲ ኣብ 1 ጥሪ 2022 ክቋረጽ ተሓሲቡ ዘሎ ተሳትፎ ኢትዮጵያ አብ ኣጋዋ ፡ ሳዕቤኑ ኣብቲ ህዝቢ ዝዓልብ`ዩ ክኸውን ኢላ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%AB%E1%88%A8%E1%8A%95-%E1%89%A3%E1%88%B5-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%8C%BB%E1%8A%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8C%8B%E1%8B%8B-%E1%8A%AD%E1%8A%93%E1%8B%8B%E1%88%95-%E1%88%93%E1%89%B2%E1%89%B3\/6357508.html"} {"headline":"ህዝቢ ምስ ህዝቢ: ኣብ ዘመናዊ ሙዚቃ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዓበይ ኣበርክቶ ዘለዎም ስነጥበባዊያን","content":"ብግድምናን ክእለት ሙዚቅኦምን ብዝለዓለ ደረጃ ዝስመዩ ዓብደላ ኣቡበከርን ብርሃነ ኪዳነን፡ ኣጋይሽ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኮይኖም ኣለዉ። ካብ 60`ታትን 70`ታትን ጀሚሮም፡ ብፍላይ ንህርመት ዘመናዊ ሙዚቃ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ምምሕያሽ ፡ ዓቢይ ተራ ከም ዝነበሮም ዝግለጹ እዞም ክልተ ህቡባት ሙዚቀኛታት፡ ብመሳርሒ ኦርጋን ዘፍረዩዎን ዘዋሃሃድዎን ሙዚቃታት ብቑጽሪ ክተቐምጦ ዘጸግም`ዩ። ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ፡ ከምኡ`ውን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ፡ ምስ ብዙሓት ዓበይቲ ባንድታት ተጠርኒፎም`ውን ሰሪሖም። ካልኣይ ክፋል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%98%E1%88%98%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%88%99%E1%8B%9A%E1%89%83-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%93%E1%89%A0%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%8A%AD%E1%89%B6-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%88%B5%E1%8A%90%E1%8C%A5%E1%89%A0%E1%89%A3%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95\/6344865.html"} {"headline":"ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ዓመተ 2021 ኮይኑ ተረቚሑ","content":"ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ ድሕሪ ኣብ ለቨን-ቤልጁም ኣብ ዓለምለኸ ውድድር ትሕቲ 23 ዓመት ዘመዝገቦ ዓወት ንካልኣይ ጊዜ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ኮይኑ ተረቚሑ። ቢንያም እቲ ቤልጁም ዝረኸቦ ብሩር መዳልያ ፈላማይ ኣፍሪቃዊ ተዓዋቲ ዓለምለኸ ሻምፕዮን ክኸውን ኣኽኢልዎ'ዩ። ቢንያም ግርማይ ኣብ ፈለማ ዓመተ 201 ምስ ጋንታ ደልኮ ተሰሊፉ ይወዳደር ዝነበረ ኮይኑ ድሒሩ ግን ንናይ ቤልጁም ጋንታ ኢንተርማርሸ ዋንቲ ጎበርት ሜርቱ ተጸንቢሩ። እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ንዝበለጸ ተቐዳዳማይ ዝወሃብ ሽልማት ብወደብቲ ቱር ሩዋንዳ ዝወሃብ ኮይኑ ቢንያም ግርማይ ነዚ ሽልማት ንካልኣይ ጊዜ ዝተዓወተ ካልኣይ ተቐዳዳማይ'ዩ። ቢንያም ነዚ ሽልማት ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ ዝተረቝሐ ሓሙሻይ ኤርትራዊ ተወዳዳይ'ዩ: ናትናኤል ብርሃነ (2012): መኽሰብ ደበሳይ (2014): ዳንኤል ተክለሃይማኖት (2015): ተስፎም ዑቕባማርያም (2016) ዝተረቑሑ ክኮኑ እንከለው ኣብቲ ናይ ዓመተ 2021 ዝተረቝሑ ዝበለጹ ተጻወቲ ንኢማራት ዓረብ ዝስለፍ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ራያን ጊቦስ ካልኣይ፡ ንኣስታና ዝስለፍ ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ ሳልሳይ: ንኩቤካ ዝስለፍ ኤርትራዊ ሄኖክ ሙሉብርሃን ራብዓይ ደረጃ ኮይኖም ተረቝሖም ኣለው። ሽልማት ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ ብወደብቲ ዙር ሩዋንዳ ዝዳለው ኮይኑ ካብ 2012 ጀሚሩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ክካየድ ጸኒሑ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%89%B0%E1%89%90%E1%8B%B3%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%88%BD%E1%8A%AD%E1%88%88%E1%89%B3-%E1%89%A2%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%88%9D-%E1%8C%8D%E1%88%AD%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%88%E1%8C%B8-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83%E1%8B%8A-%E1%89%B0%E1%89%90%E1%8B%B3%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B0-2021-%E1%8A%AE%E1%8B%AD%E1%8A%91-%E1%89%B0%E1%88%A8%E1%89%91%E1%88%91\/6355880.html"} {"headline":"ወትሩ ምስ መሳርሒ ክዳን--ዓብዱሰላም ዓብዳይ","content":"ምሩቕ ዓውዲ ፊይስክስ ካብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ፡ ዓብዱሰላም፡ ኣብ ኣስመራ ካብቶም ወሓሉ ሰራሕቲ ማዕጹን መሳዅትቲን’ዩ ነይሩ። ሕጂ ኣብ ከተማ ሳንፍራንሲስኮ ዝነበር ዘሎ ዓንዱሰላም፡ ድሕሪ ናይ ኣመሪካ ስደቱ ግን ዓውዲ ቀዪሩ’ዩ። ኣብቲ ብውዝቢ ዝኣተዎ ሞያ ምግብና ግን ውሕልነቱ ኣይተጋደፎን። ንጕዕዞ ህይወቱ፡ ስራሓቱ፡ ኮቪድ-19 ዝፈጠሮ ናይ ህይወቱ ምምዝባልን ካልእ ተዛማዲ ኣርእስታትን ኣዘራሪብናዮ ኣሎና። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%88%E1%89%B5%E1%88%A9-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%98%E1%88%B3%E1%88%AD%E1%88%92-%E1%8A%AD%E1%8B%B3%E1%8A%95--%E1%8B%93%E1%89%A5%E1%8B%B1%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8B%93%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%8B%AD\/6354841.html"} {"headline":"ከተማ ደሴ ኣብ ኢድ ፈደራል ሰራዊት ኢትዮጵያ ምህላዋን ምንቅስቃሳታ ድማ ናብ ንቡር ይምለስ ምህላው ተገሊጹ","content":"ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ትርከብ ከተማ ደሴ ኣብ ኢድ ፈደራል መንግስቲ ከም ዘላን ዕለታዊ ምንቅስቃሳ'ውን በብዕለቱ ይደምቅ'ሎ ክብል ናብታ ኸተማ ዝተጉዓዘ ሪፖርተር ድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ። ሪፖርተር ድምጺ ኣመሪካ ምስ ክፍሊ ኣምሓርኛ ኣብ ዘካየዶ ሓጺር ቃለ መጠይቅ ዝተፈላለዩ መጉዓዝያታት ኣብ ውሽጢ እታ ኸተማን ሃይቅን ክሳብ ከምሴን ከምዝርአየን ዝኽፈቱ ኣብያተ ንግድን ሆቴላትን ይወስኽ ከምዘሎ ተዛሪቡ'ሎ። ኣገልግሎት ስልኪ:ማይን መብራህትን ኣብ ጽቡቅ ኩነታት'ዩ ዘሎ ዝበለ ሪፖርተር ድምጺ ኣመሪካ መስመር ስልኪ ሓሓሊፉ ከምዝቋርጽን ኣገልግሎት ኢንተርነት ግን ከምዘይተጀመረን ጠቂሱ: ብሓፈሻ ምንቅስቃስ እታ ኸተማ ኣብ ደሓን ዝበሃል'ዩ ኢሉ'ሎ። ኣብታ ኸተማ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከም ትካላት ጥዕና ዝበሉ ጉድኣት ከምዝወረዶም ዝጠቀሰ ሪፖርተር ድምጺ ኣመሪካ 80 ዓመት ዝዕድሚኡ ሆስፒታል ደሴ ጉድኣት ከምዝወረዶን መድሃኒት'ዉን ከምዘየለን ኣቁሑት ላባራቶሪን መፍረይ ኦክሲጂን ኸኣ ኣገልግሎት ከምዘይህብ ተገይሩ'ሎ ኢሉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8B%B0%E1%88%B4-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%8B%B5-%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%B5%E1%89%83%E1%88%B3%E1%89%B3-%E1%8B%B5%E1%88%9B-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%89%A1%E1%88%AD-%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%88%88%E1%88%B5-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6354669.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ ንብረቱ ዝኾና 18 መካይን ካብ ደሴን ኮምቦልቻን ብወታሃደራት መንግስቲ ከምዝተዘምታ ሓቢሩ","content":"ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ካልኦት ዘይመንግስታውያን ትካላትን፡ ካብ ደሴን ኮምቦልቻን ብወተሃደራት ፈደራላዊ መንግስቲን መሻርኽቱን፡ ንብረት ሕቡራት ሃገራት ዝዀና 18 ናይ ጽዕነት መካይን ብ10 ታሕሳስ ከም ዝተዘምተኦ ኣመልኪቶም። ብመሰረት ካብ ወሃብ ቃል ሕቡራት ሃገራት ዝወጸ መግለጺ፡ እተን ብሓይሊ ተወሲደን ዝነበራ መካይን መብዛሕትአን ደኣ ይመለሳ እምበር፡ ዛጊት ግን ሰለስተ ደሃየን ከም ዘይተፈልጠ ንወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ኒው-ዮርክ ሓቢሮም። ኣብ ክልል ኣምሓራ ንኣስታት 3.7 ሚልዮን ተጸባዪ ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምግባር ዝርከብ ፕሮግራም መግብ ዓለም፡ ተዋጋእቲ ወገናት ንተበጻሕነት ሓገዝ ዝጻባእ ስራሓት ካብ ምፍጻም ክቝጠቡ ኣዘኻኺሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%88%BB%E1%88%AD%E1%8A%BD%E1%89%B1%E1%8A%95-18-%E1%88%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%B0%E1%88%B4%E1%8A%95-%E1%8A%AE%E1%88%9D%E1%89%A6%E1%88%8D%E1%89%BB%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%9D%E1%89%B3-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6354459.html"} {"headline":"ኣብ ኤርትራ ካብን ናብን እንግሊዝኛ - ትግርኛ እትትርጉም ማሽን ማዕቢላ","content":"ኣንቶኒዮ ሳሚኤል፡ዑስማን ሮመዳን፡ ፋኑኤል ሃብተማርያም፡ሄርሞን እስቲፋኖስ ፡ናትናኤል መንግስትኣብን ሮቤል ዮሃንስን ዝተብሃሉ ተማሃሮ ሓሙሻይ ዓመት\\nምህንድስና ኮምፕዩተር ኮለጅ ማይ ነፍሒ ፡ምሉእ ሓሳባት ካብ ትግርኛ ናብ እንግሊዝኛ፡ካብ እንግሊዝኛ ናብ ትግርኛ እትትርጉም ማሽን ከምዘማዕበሉ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም ። ነታ ማሽን ኣብዚ ሕጂ እዋን ከም ጎግል ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ትካላት ዝጥቀሙሉ ምዕቡል ኣገባብ ቴክሎነጂ ተጠቂሞም ከምዘማዕበልዋን ሰብ ሰርሖ ብልሒ ከም እትውንን ተዛሪቦም። እዛ ማሽን ምስተን ቅድሚ ሕጂ ዝተፈተና ካብ እንግሊዝኛ ናብ ትግርኛ ጥራይ (On line) ዝትርጉማ ስርሓት ብምውድዳር ብዘይ ናይ ኢንተርነት መስመር (offline) ትሰርሕ ኣብ ርእሲ ምዃና ካብ እንግሊዝና ናብ ትግርኛ ከምኡ’ውን ካብ ትግርኛ ናብ እንግሊዝኛ ናይ ምትርጓም ብልጫ ከምዘለዋን ኣማዕበልታ ወሲኾም ተዛሪቦም ኣለዉ። እዛ ኣብ ኤርትራ ናይ ፈለማ ዝኾነት ማሽን ፡ብእንግሊዝኛ ን ትግርኛን ዝተጻሕፉ ጽሑፋት፡መጻሕፍቲ፡ዶክመንታት፡ኣብ ዝተፈላለዩ ዕቑሑን ኣፋውስን ዝተጻሕፉ መምርሒታት (ማንዋላት) ወዘተ ኣብ ምትርጓም ንዝነበረ ሃጓፍ ኣብ ምምላእ ኣበርክቶ ከምእትገብር ብምግላጽ ኣብ ቀጻሊ ኣብ ሞባይል ከምትሰርሕ ንምግባራ መደብ ከምዘለዎም እዞም ሽዱሽተ ናይ ኮምፕዩተር መሃንድሳት ገሊጾም ኣለዉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%8A%E1%8B%9D%E1%8A%9B---%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AD%E1%8A%9B-%E1%8A%A5%E1%89%B5%E1%89%B5%E1%88%AD%E1%8C%89%E1%88%9D-%E1%88%9B%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%9B%E1%8B%95%E1%89%A2%E1%88%8B-\/6352596.html"} {"headline":"ወሃቢ ቃል ሚ\/ጉ\/ወ ኣመሪካ: ኣቶ ጌታቸው ረዳ መርገጺ ኣመሪካ ንዝበሎ ኣሉታዊ ምላሽ ሂቡ","content":"ኣብ ውሽጢ ኣመሪካ ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ኣይትኽእልን ዝበለ ወሃቢ ቓል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፡ ግን ብውሽጢ ድማ ፡ ኣዲስ ኣበባ እንተኣቲኹም በይንኹም ኮይንኩም ሽግር ካብ ዝፍጠር ዝተወሰነ ኣኻኺብኩም እንተትኣትዉ ይብሉና`ዮም ክብል ምስ ተለቪዥን ትግራይ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ተዛሪቡ`ሎ። ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብወገኑ፡ ህወሓት፡ ወተሃደራዊ ወፍርታቱ ከስፍሕ ወይ`ውን ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምእታው ክፍትን፡ ኣመሪካ ፍጹም ኣተባቢዓቶ ኣይትፈልጥን`ያ ክብል ኣሉታዊ መልሲ ሂቡ`ሎ። ወሃቢ ቓል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ምስ ተለቪዥን ትግራይ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ ሰራዊት ህወሓት ናብ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ምእታው ዝምልከት መርገጽ ኣመሪካ ንጹር ከምዘይኮነሉ`ዩ ተዛሪቡ። ቻይና ንመንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ብምድጋፍ ንጹር መርገጽ ከምዘለዋ ዝገለጸ ኣቶ ጌታቸው፡ ኣመሪካን ገለ ሃገራት ኤውሮጳን ኣዲስ ኣበባ እንተኣቲኹም ዝብል ነገር ከምዘልዕላ ይጠቅስ፡ \"ንኣብነት ቻይና፡ ንኣቢይ ብብረትስ ብገለስ ይድግፉ`ዮም።ኣብ ዝኾነ ይኹን መድረኽ፡ ንኣቢይ ማዕቀብ ክግበር ኣብ ዝግበረሉ፡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ`ዶ ኣብ ገለ ስራሕቲ፡ ናይ ቪቶ ስልጣኖም ተጠቒሞም ኣብ ናይ ሃገራት ውሽጢ ጉዳይ፡ ጣልቃ ክእቶ የብሉን ብዝብል፡ ይከላኸልሉ`ዮም።\" ኣቶ ጌታቸው ኣተሓሒዙ፡ መርገጽ ኣመሪካ ኣብቲ ጉዳይ ግን ግልጺ ከምዘይኮነን፡ ዝተፈላለየ መርገጻት ከም ዘለዎምን ይገልጽ፡ \"ኣመሪካውያን መርገጾም እንታይ ምዃኑ ክትርድኦም ብጣዕሚ ከቢድ`ዩ። ኣመሪካ ማዕቀብ ጌርና ንኽልቴኹም ደፊእና ናብ ሰላም ክነምጽኣኩም ይብሉ፡ ኣቢይ ሓደገኛ ሰብ`ዩ ናብ ዘይኮነ ጥፍኣት ይወስድ ኣሎ ይብሉ። ቁርብ ጸኒሖም ድማ ህወሓት ኣዲስ ኣበባ እንተኣትያ ዓዲ ብደም ክትሕጸብ`ያ ይብሉ።\" ኣተሓሒዙ በዓል ቻይና ንጹር`ዩ እቲ መትከሎም፡ ኣመሪካ`ዮም ኣዲስ ኣበባ እንተኣቲኹም ዝብል ነገር ዘለዎም፡ ገለ ሃገራት ኤውሮጳ`ውን ከምኡ ዓይነት የርእዩ`ዮም ድሕሪ ምባል፡ ኣመሪካ እቲ ኣዲስ ኣበባ ኣይትእተዉ ዝብል ንሱ ናይ ቃል-ዓለም`ዩ ኢሉ። \"ግን ድማ ብውሽጢ ድማ እንታይ ይብሉ ኣዲስ ኣበባ እንተኣቲኹምስ በይንኹም ኮይንኩም ሽግር ካብ ዝፍጠር ዝተወሰነ ኣኪብኩም ኣኻኺብኩም እንተትኣትዉ ይብሉ። ሕጂ እቲ ናይ ኣመሪካ ሻቕሎት፡ ገገሊኡ መስሓቕን ተራ ናይ ሸቐጥ ስሌት`ውን ኣብ ግምት ዘእተወ`ዩ። ኣመሪካ እቲ ኣዲስ ኣበባ ኣይትእተዉ ዝብል ንሱ ናይ ቃል-ዓለም`ዩ\" ብዛዕባ`ዚ ኣቶ ጌታቸው ብዛዕባ ኣመሪካ ዝምልከት ዝበሎ፡ ድምጺ ኣመሪካ ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ተወኪሱ:ወሃቢ ቓል`ቲ ሚንስትሪ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ፡ ህወሓት ወተሃደራዊ ወፍሩ ከስፍሕ ወይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምእታው ክፍትን ፍጹም ኣየተባባዕናን ድሕሪ ምባል፡ ንኹሎም ወገናት ብውልቅን ብወግዕን ከምዝበልናዮ፡ ንግጭት ኢትዮጵያ ወተደራዊ ፍታሕ የለን፡ ፍሉይ ልኡኽ ዝሓለፈ ሕዳር 23 ከምዝበሎ፡ ህወሓት ክስሕብን ኩነታት ሰብኣዊ ዕጽዋ ትግራይ ከብቅዕን ኢና ንጽውዕ ኢሉ። ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣስዒቡ፡ ዲፕሎማሲ ቀዳምነት ንህብ፡ ተጻብኦታት ከቋርጽ፡ ግህሰት ከብቅዕ ብዘይ ቅድመ ኩነት ድማ ልዝብ ክግበር፡ ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይዕንቅፋት ክኣቱ፡ ከምኡ`ውን ኩሉ ዘሳተፈ ሃገራዊ ልዝብ ክግበር ኢና ነተባብዕ ኢሉ። ብዛዕባ`ቲ ኣቶ ጌታቸው ዝበሎ፡ ቻይና ኣብ ባይቶ ጸጥታ ብዘለዋ ድምጺ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣቢይ ማዕቀብ ከይግበር ንመንግስቲ ኣቢይ ትድግፍ`ያ ዝብል ነገር ዝተሓተተ ወሃቢ ቓል ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ብዛዕባ ማዕቀብ ዝተገብረ ዕቱብ ዘረባ`ውን ኣይነበረን፡ ስለዚ ቻይና ብዘለዋ ንድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር መሰላ ትጥቀመሉ ምኽንያት`ውን ኣይነበርን ክብል መሊሱ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A2-%E1%89%83%E1%88%8D-%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A2-%E1%89%83%E1%88%8D-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%8C%88%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%8E-%E1%8A%A3%E1%88%89%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%BD-%E1%88%82%E1%89%A1\/6352145.html"} {"headline":"ኣመሪካ ብሓይልታት ትግራይ ተፈጺሞም ዝተባህሉ ግህሰታት ከምዘተሓሳሰባ ገሊጻ","content":"ኣመሪካ: ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣዚዩ ኣሰካፊ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ጭካነታትን ዕንወት ህዝባዊ ትሕተ ቅርጺ ምፍፃሞም ዝገልፁ ዘይተረጋግፁ ሓደሽቲ ፀብፃባት ኣዚዩ ከምዘተሓሳስባ ገሊፃ። እቲ ካብ ቤት ፅሕፈት ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይዝ ዝወፀ መግለፂ ኩሎም ዕጡቓት ተዋሳእቲ ኣብ ልዕሊ ስቪላት ንዝፍፀም መጥቓዕቲ ደው ከብሉ ንፅውዕ ይብል።ሰበስልጣን ነቶም ፀብፃባት ክምርምሩን ፈፀምቲ ኣካላት ተሓተቲ ንምግባር ንኹሉ ዝሓቖፈ ብግልፂ መስርሕ ክምርምሩን ነተሓሳስብ ይብል። እቲ መግለፂ እቲ ፈላማይ፣ናይ መወዳእታን እንኮን ተፃብኦ ደው ንምባል መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ከብቅዕ፣ብዘይቅድመ ኩነት ልዝብ ምክያድን ብዘይ ዕንቕፋት ተበፃሕነት ሰብኣዊ ረድኤት ምፍቃድን ሓቋፊ ሃገራዊ ዘተ ምክያድን ምዃኑ ኣመሪካ ብዲፕሎማሲያዊ ኣገባብ ንምሕጋዝ ደጊማ ተረጋግፅ ይብል ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%89%A5%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%9E%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%89-%E1%8C%8D%E1%88%85%E1%88%B0%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%B3%E1%88%B0%E1%89%A3-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BB\/6352286.html"} {"headline":"ነበርቲ: ሓይልታት ትግራይ ንከተማ ላሊበላ ዳግማይ ከምዝሓዝዋ ገሊጾም ክብል ሮይተርስ ሓቢሩ","content":"ነበርቲ ከተማ ላሊበላ ሓይልታት ትግራይ ንከተማ ላሊበላ ካብ ሓይልታት ፌደራል መንግስቲ ንኻልኣይ ግዜ ከምዝሓዙዋ ገሊፆም ክብል ሮይተርስ ሓቢሩ። ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዝተዛረቡ ክልተ ነበርቲ ወታሃደራት ኢትዮጵያ ምስ ወፁ ሓይልታት ትግራይ ትማሊ ሰንበት ነታ ከተማ ተቖፃፂሮምዋ ኢሎም። እቶም መሰኻኽር ብዘይተፈልጠ ምኽኒያት ወታሃደራት መንግስቲ ካብ ቀዳም ለይቲ ጀሚሮም ካብ ላሊበላ ምውፃእ ከምዝጀመሩን ካብ ርሑቕ ቦታ ናይ ቶኽሲ ልውውጥ ከምዝሰምዑን ሓቢሮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ሓይልታት ትግራይ ብዛዕባ ኩነታት ላሊበላ ርእይቶ ኣይሃቡን። ኤኤፍፒ ከምዝፀብፀቦ ግን ህወሓት ኣብ ጥቓ ላሊበላ ኣብ ልዕሊ ዝርከባ ከተማታት መጥቓዕቲ ፈኒዩ ኣሎ።ናይ ህወሓት ደገፍቲ መሓውራት ዜና ካብ ላሊበላ 59 ኪሎ ሜትር ሪሒቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ጋሼና ምስ ሓይልታት ኢትዮጵያ ምግጣሞም ፀብፂበን ኣለዋ። ወታሃደራት ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ንሓይልታት ህወሓት ደፊኦም ንከተማ ላሊበላ ምቑጽጻሮም ይዝከር። ከተማ ላሊበላ ብብ ዩኔስኮ ናይ ዓለም ሓድጊ ተባሂሉ ዝተመዝገበ ቤተ ክርስቲያን ዝርከበላ ከተማ እያ። ንኤኤፍፒ ዝተዛረቡ ነበርቲ እታ ከተማ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ እቶም ነበርቲ ሕይል ዝበሉ እንተነበሩ እውን ኣብ ናይ ኣዋርሕ ፃኒሒቶም ነቲ ቅዱስ ቦታ ብፅቡቕ ኩነታት ሒዞምዎ ነይሮም ይብሉ። ፌደራል መንግስቲ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝሓዙዎም ከባቢታት ንዝርከቡ ሆስፒታላትን መሰረተ ልምዓታትን ኣዕኒዮም ክብል ይኸስስ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%8B%E1%88%8A%E1%89%A0%E1%88%8B-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%8B%E1%88%8A%E1%89%A0%E1%88%8B-%E1%8B%B3%E1%8C%8D%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%8B%9D%E1%8B%8B-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%88%AE%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%88%B5-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6352255.html"} {"headline":"ቃለ-ምልልስ ምስ ኣቦ-መንበር ዓለምለኸ ምንቅስቓስ ይኣክል ኣቶ ወሰንሰገድ ሓጎስ","content":"ቃለ-ምልልስ ምስ ኣቦ-መንበር ዓለምለኸ ምንቅስቓስ ይኣክል ኣቶ ወሰንሰገድ “ሰገድ” ሓጎስ ንቕርጺን ኣሰራርሓን እዚ ምንቅስቓስ ከምኡ’ውን ኣብ ቀረባ ግዜ ምስ ሓይልታት ትግራይ ሓቢሮም ንኽሰርሑ ምውሳኖም ዘውጽኡዎ መግለጺን ካልእን ኣዘራሪብናዮ ኣሎና። ኣብዚ መደብ ካብ ህዝቢ ዝመጸ ሕቶታት’ውን ኣጣቓሊልና ኣሎና። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%88%8D%E1%88%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A6-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%B5%E1%89%93%E1%88%B5-%E1%8B%AD%E1%8A%A3%E1%8A%AD%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%8C%88%E1%8B%B5-%E1%88%93%E1%8C%8E%E1%88%B5-\/6352177.html"} {"headline":"ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ግብጺ","content":"ግብጺ ኣብዚ ቀረባ ንገለ ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ጠሪዛ ዝብሉ ጸብጻባት ተሰሚዑ'ሎ። ካልኦት'ውን ናይ ምጥራዝ ኩነታት ኣንጸላልይዎም'ሎ ክብሉ ካብ ግብጺ ዘዘራረብናዮም ሰለስተ ኤርትራውያን ይገልጹ። ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃን ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከብ ኤምባሲ ግብጽን ንምርካብ ብኢመይል ሓቲቲና ዛጊት አይረኸብናን: ምስ ረኸብና ከነቅርበልኩም ኢና። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%8C%BA\/6349513.html"} {"headline":"ሁማን ራይትስ ዎች ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ቕትለት ፈጺሞም ክብል ገሊጹ","content":"ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዋች ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ገበናዊ ቕትለት ፈጺሞም ክብል ገሊጹ። እቲ ትካል ሎሚ ዓርቢ 10 ታሕሳስ 2021 ኣብ ዘውጽኦ ሪፖርት፡ሓይልታት ትግራይ ካብ ነሓሰ 31 ክሳብ መስከረም 9:2021 ኣብ ዝነበሩ መዓልታት ንሰሜናዊ ክፋል ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተቆፃፀርሉ እዋን፡ኣብ ክልተ ከተማታት ብብዓሰርተታት ዝቁፀሩ ሰላማውያን ሰባት ረሺኖም ኢሉ። እዞም ዝተፈፀሙ ቅትለታት ዘመላኽትዎ፡ በቲ ካብ ክልል ትግራይ ሰጊሩ ተጋፊሑ ዝርከብ ኲናት ምኽንያት ኩሎም ተፃባእቲ ወገናት ዝፍፅምዎም ዘለዉ ግፍዕታት ገበናት ኲናት ተፈጺሙ እንተኾይኑ፡ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብቅልጡፍ ዓለምለኻዊ መፃረዪ ከጣይስ ዘመላኽት እዩ ኢሉ`ሎ ። 31 ነሓሰ 201 ሓይልታት ትግራይ ምስ ሓይልታት ፌደራል ኢትዮጵያን ሚልሻ ክልል ኣምሓራን ከቢድ ውግእ ይካየድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናብ ጭና ኣትዮም ። ነበርቲ ጭና ንሁማን ራይትስ ዋች ከምዝሓበርዎ ብተኸታታሊ ኣብ ዝነበራ ሓሙሽተ መዓልታት ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝተፈላልዩ ኣጋጣሚታት 26 ሰላማውያን ሰባት ምቅታሎም ፣ ከምኡ'ውን 9 መስከረም 2021 ኣብ ከተማ ቆቦ 13 ሰላማውያን ሰባት ኣብ ኣርባዕተ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ምቅታሎም ገሊፆም ። እዞም ቅትለታት ኣብቲ ዕለት ሓይልታት ትግራይ ናብቲ ኸባቢ እናኣተዉ ከለው ብሓረስቶት እቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊኦም ንዝተወለዐ መጥቃዕቲ ዝወሰድዎ ግብረመልሲ እዩ ኢሎም ። “ሓይልታት ትግራይ ኣብ ቁፅፅሮም ንዘለዉ ሰባት ብምቅታል ሰብኣውነት ዝጎደሎን ሕግታት ሰብኣውነት ኣብ ኲናት ዝጠሓሰ ተግባር ፈፂምሞም እዮም ።” ዝበሉ ዳይሬክተር ጎንፅን ቅልውላዋትን ሁማን ራይትስ ዋች ለማ ፋኪሕ “ እዞም ብኹሎም ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ንዝተፈፅሙ ዘለዉ ቅትለታትን ካልኦት ግፍዕታትን ዘይሻራዊ ዓለምለኻዊ አጻራይ ኣካል ተጣይሱ አብ ኢትዮጵያ ንዝተፈፀሙ ገበናት ኲናት ከፃሪ ክስመረሉ ዝግባእ እዩ “ ኢሎም ። ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ፣ሰራዊት ኤርትራን ፍሉይ ሓይሊ ምልሻን ክልል ኣምሓራ ኣንፃር ዕጡቋት ሓይልታት ትግራይ ምስ ነታ ክልል ከመሓድር ዝፀንሐ ህወሓት ብምትሕብባር ኣብ ዝገበርዎ ኲናት ሁማን ራይትስ ዋችን ካልኦት ተሓለቕቲ መሰላትን ብዝገብርዎ መርመራ ብኹሎም ወገናት ገበናት ኲናትን ከምኡ'ውን ገበናት ኣንፃር ሰብኣውነት ከምተፈጸሙ ሰነዳት ረኸቦም እዮም። እቲ ኲናት ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ናብ ክልላት ኣምሓራ ብምስፍሑ አዝዩ ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎ ህዝ ቢ ካብ መነባብርኡ ተመዛቢሉ'ዩ ። ኣብቲ ከባቢ 3.7 ሚልተን ህዝቢ ንሰብኣዊ ሓገዝ ተቓሊዑ ይርከብ ። ሁማን ራይትስ ዋች ኣብ ወርሒ መስከረምን ጥቅምትን ኣብ ልዕሊ 36 ሰባት ኣብ ጭናን ቆቦን ብዘካየዶ ቃለ መሕተት ሓይልታት ትግራይ 49 ሰላማውያን ሰባት ምቅታሎምን ሽም 44 ሰባት ምዝርዛሮምን ገሊፁ ። ብሓፈሻ 74 ሽም ዝርዝራት ዝረኸበ ኮይኑ ካብኦም እቶም 30 ስድራን መሰካኽር ዓይንን እቶም ዝሞትቱ እዮም ። ከም ሓበሬታ ሁማን ራይትስ ዋች በቲ ዝተካየደ ከቢድ ኲናትን ዝትኮሱ ዝነበሩ መዳፍዓትን ዝሞቱ ተወስኽቲ ሰባት ክህልዉ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ እዩ። ይኹን እምበር ክንደይ ዝኣኽሉ ይኾኑ ዝብል ግን ሓበሬታ ክረክብ ከምዘይክአለ ይሕብር ። ሁማን ራይትስ ዋች ሰበ ስልጣን ህወሓት መልሲ ክህቡሉ ኣብ 4 ታሕሳስ ነቶም ክስታት ዝለኣኸሎም ኮይኑ ተቀቢሎም መልሲ ግን ኣይረኸበኩን ኢሉ ። ቤት ምክሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ክልል ትግራይ ኲናት ካብ ዘእወጅ ጀሚሩ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ተጋፊሑ ኣብ ኩሎም ንዝተፈፀሙ ተግባራት ነቲ ሓይልታት ትግራይ ፈፂሞሞ ዝተባህለ ካልኦት ስጋብ ሕግታት ኲናት ዝጠሓሱ ገበናት በብደረጅኡ ዘለዉ ተሓተቲ ተፈልዮም ክፍለጡን ንመፃኢ ብሕጊ ንምሕታት ዘኸእል ሰነድ ክሕዝ ከምዝግባእ ሁማን ራይትስ ዋች ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ ። ከምኡ'ውን ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት እውን ንኢትዮጵያ ኣብ ኣጀንድኡ ብምስፋር ንኹሎም ተፃባእቲ ወገናት ዝተለመ ማዕቀብ ፣ ዓለምለኸ ክልከላ ኣጽዋርን ዝኣምሰሉን ውሳነታት ብምሕላፍ ተወሳኺ ህልቂት ንኸየጋጥም ንምክልካል ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ይግባእ ኢሉ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%81%E1%88%9B%E1%8A%95-%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%89%B5%E1%88%B5-%E1%8B%8E%E1%89%BD-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%95%E1%89%B5%E1%88%88%E1%89%B5-%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%9E%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6349326.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ ብሰንኪ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ምፍንቓል ሰባት ቀጺሉ ከምዘሎ ሓቢሩ","content":"ወሃቢ ቓል ሕቡራት ሃገራት ስተፈን ዱጃሪክ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ብዝቐጸለ ኩናት ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ምፍንቓሎም ቀጺሎም ኣለዉ ኢሉ ። ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ብዙሓት ሰባት ካብ ሸዋ ሮቢት፡ ወልድያ: ላሊበላ፡ ካብ ክልል ዓፋር ፡ ከምኡ ካብ ምዕራባዊ ክልል ትግራይ ድማ ናብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ምፍንቓሎም እቲ ወሃቢ ቓል ኣፍሊጡ`ሎ። ብኻልእ ወገን፡ ካብ 1 ታሕሳስ ክሳብ 7 ታሕሳስ፡ 44 ዓበይቲ መካይን መግብን ሃናጺ መግብን ማይን ቀረባት ጽርየትን ሒዘን ብሸነኽ ዓፋር ናብ መቐለ ምእታወን ሓቢሩ`ሎ። እቲ ወሃቢ ቃል እዚ እኹል ከምዘይኮነ'ውን ሓቢሩ'ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%8A%95%E1%89%93%E1%88%8D-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%8C%BA%E1%88%89-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6349354.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ጸገም ቀረባት ሰብኣዊ ረድኤት ዓጸቦ ከየጋጥም ስግኣት ከምዘሎ ሓላፊ ሰ\/ረድኤት ሕ\/ሃ ገሊጾም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘሎ ጸገም ቀረባት ረድኤት ዓጸቦ ከየጋጥም ስግኣት ከምዘለዎ ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፍስ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መጠይቕ ኣፍሊጦም። ንሶም ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዙርያ`ታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ደርቂ ክስትብሃለሉ ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ ጠቐሶም። ብዛዕባ'ዚ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝርዝር ኣብ ምዝርራብ ከም ዝርከብ`ውን ኣፍሊጦም ኣለው ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጦም ኣለው። ኣስዒቦም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፡ኣብ ኬንያን ሶማልን ኣጋጢሙ ዘሎ ደርቂ`ውን ነቲ ድሕሪ 1984 ዘይረኣናዮ ዓጸቦ ክይንርኢ ንሰግእ ኢና ኢሎም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8C%B8%E1%8C%88%E1%88%9D-%E1%89%80%E1%88%A8%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%A8%E1%8B%B5%E1%8A%A4%E1%89%B5-%E1%8B%93%E1%8C%B8%E1%89%A6-%E1%8A%A8%E1%8B%A8%E1%8C%8B%E1%8C%A5%E1%88%9D-%E1%88%B5%E1%8C%8D%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8A-%E1%88%B0-%E1%88%A8%E1%8B%B5%E1%8A%A4%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/6349395.html"} {"headline":"ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት ዓመታዊ ጸብጻብ እሱራት ዘርጊሑ፣ ኤርትራ ንዝርዝር ሃገራት ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ ትመርሕ","content":"ዓለምለኸ ትካል ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት (CPJ) ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝዘርግሖ ዓመታዊ ጸብጻብ እሱራት ጋዜጠኛታት ፡ ኤርትራ ን16 ጋዜጠኛታት ብምእሳር ኣብ ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ክትከውን እንከላ፡ ትሽዓት ጋዜጠኛታት ኣሲራ እትርከብ ኢትዮጵያ ድማ ኣብቲ ምድብ ስዒባ ካልኣይቲ ኮይና ኣላ። እቲ ትካል ክሳብ 1 ታሕሳስ ናይዚ ዓመት’ዚ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘለዉ ጋዜጠኛታት’ዩ ዝጽብጽብ። ብመሰረት እቲ ወጺኡ ዘሎ ጸብጻብ ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት ኣብ ምሉእ ዓለም 293 ጋዜጠኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክህልዉ እንከለዉ፡ 50 ጋዜጠኛታት ሓዪራ ዘላ ቻይና ቀዳመይቲ ክትከውን እንከላ፡ ካብ ኣፍሪቃ ድማ ግብጺ 25 ጋዜጠኛታት ብምእሳር ነቲ ዝርዝር ትመርሕ። ኣብዚ ዓመት’ዚ 24 ጋዜጠኛታት ብሰንኪ ሞያኦም ከም ዝተቐትሉ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ይሕብር። እቲ ትካል ካብተን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዓቢ ምንቍልቋል ድሕነት ጋዜጠኛታት ዝተራእየን ኢሉ ብፍሉይ ንቤላሩስን ኢትዮጵያን ጠቒሱ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ምስቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣቝጺሩ ዘሎ ኲናት፡ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ምስ ህወሓት ትደናገጹ ኢኹም ብዝብል ምስምስ ኣደዳ ማእሰርቲን ምክልባትን ከም ዝዀኑ የመልክት።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B0-%E1%8A%95%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%8C%B8%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%89%A5-%E1%8A%A5%E1%88%B1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%88%AD%E1%8C%8A%E1%88%91-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8B%9D%E1%88%AD-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B0-%E1%88%B3%E1%88%85%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%89%B5%E1%88%98%E1%88%AD%E1%88%95\/6347816.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ ኣብ ኣብ ኮምቦልቻ ዝነበረ መኽዘኑ ከምዝተዘርፈ ኣፍሊጡ","content":"ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ኮምቦልቻ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ መኽዘኑ ዝነበረ ገዚፍ መጠን ዘለዎ ሰብኣዊ ረድኤት (ንዝተማለአ መግብናን መግቢ ቆልዑን ሓዊሱ)ከምዝተዘረፈ ገሊጹ። ሕቡራት ሃገራት ብመሰረት ዝበጽሖ ሪፖርት ብንእሽተይ ስርቂ ዝጀመረ ናብ መጠነ ሰፊሕ ከምዝተሰጋገረን፣ ገለ ኣባላት ሰራዊት ትግራይን ነበርቲ ኮምቦልቻን ከምዝተፈጸመ ይሕብር። መጠን ዝተዘርፈ መግቢ ይጻረ ከምዘሎ፣ እንተኾነ፣ እቲ ተግባር ንኩነተ ሕጽረት መግቢ ከምዘጋደዱን፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ቀረብ ረድኤት ከምዝጎድኡን ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ኣባላት ፕሮግራም መግቢ ዓለም፣ ብሰንኪ ዘጋጠሞም ከቢድ ምፍርራሕ ነቲ ተግባር ደው ከብልዎ ከምዘይካኣሉን፣ ብሰንኪ’ዚ፣ እቲ ትካል ኣብ ደሴን ኮምቦልቻን ንዝነበረ ስርሑ ከምዘቋረጾን’ውን ዝመጸና ዜና ጠቂሱ። እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ዕጡቃት ንሰለስተ መካይን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ጨውዮም፣ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ረብሓ ከምዘውዐሉወን ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ሕቡራት ሃገራት እዞም ዝተጠቀሱ ተርእዮታት ኣዚና ብምኹናን ኣብ’ቲ ውግእ ዝዋስኡ ሓይልታት፣ ንዓለምለኸ ሕጊ ንከኽብሩ ንጽውዕ ይብል። ኣብ ክልል ትግራይ 5.2 ሚልዮን፣ ኣብ ዓፋር 534 ሽሕ፣ ኣብ አምሓራ 3.7 ሚልዮን ህዝቢታት ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኤት ኮይኖም ከምዘለው’ውን ሪፖርት ሕ\/ሃ ይሕብር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AE%E1%88%9D%E1%89%A6%E1%88%8D%E1%89%BB-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%8A%BD%E1%8B%98%E1%8A%91-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AD%E1%8D%88-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6347803.html"} {"headline":"ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንኩነታት ኢትዮጵያ ንምዝርራብ ናብ ኢማራት ዓረብ : ቱርኪን ግብጺን ክበጽሑ'ዮም","content":"ኣመሪካዊ ፍሉይ ልኡኽ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ጄፍሪ ፌልትማን፣ ማሕበረሰብ ዓለም ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ እንታይ ክገብር ከምዝኽእል ንምዝርራብ፣ ካብ ሎሚ ሓሙስ ጀሚሮም ኣብ ኢማራት ዓረብ፣ ቱርኪን ግብጽን መገሻ ከምዝፍጽሙ ተገሊጹ። ቀንዲ ዕላማ ፌልትማን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ይቅጽል ዘሎ ውግእ ብልዝብ ንምፍታሕ ዝዓለመ እዩ። ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ \"ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ውግእ፣ ንሰላምን ጸጥታን ቀርኒ ኣፍሪቃ ስግኣት ኮይኑ ከምዘሎ ንፈልጥ ኢና\" ኢሉ። \"ኣቀዲምና ከምዝበልናዮ፣ ናይ ኢትዮጵያ ውግእ ብወትሃደራዊ ፍታሕ ኣየብቅዕን እዩ። ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ንከብቅዕ እቲ ፈላማይ፣ ዛዛሚን እንኮ ኣማራጺ፣ ናብ ምቁራጽ ተኩሲ ምብጻሕ እዩ፣ ሸቶ መገሻ ፍሉይ ልኡኽ ፌልትማን ንዲፕሎማሲ ንምሕያል'ዩ\" ክብል መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ገሊጹ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%8D%E1%88%89%E1%8B%AD-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%95%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%88%9B%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%89%B1%E1%88%AD%E1%8A%AA%E1%8A%95-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%8C%BA%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%89%A0%E1%8C%BD%E1%88%91-%E1%8B%AE%E1%88%9D\/6347686.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንግዚኡ ናብ ቤት ጽሕፈቶም ምምላሶም ኣፍሊጦም","content":"\"ብመሰረት ትልምና ናይ መጀመሪያ ምዕራፍ ወፍሪ ኣብ ክልተ ሰሙን ኣዐዊትና’’ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ንዝተወሰነ ግዚያት ናብ ቤት ፅሕፈቶም ከምዝተመለሱ ኣብ ማሕበራዊ መራኽቢ ገፆም ኣብ ዘቐመጥዎ ጽሑፍ ገሊፆም። \"ብዓወት ዝተጸንብሮ ምዕራፍ’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ናይ ክሳብ ሎሚ መስርሕ ንኢትዮጵያ ቅንዕ ዘበለ እዩ ኢሎም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ወሲኾም ኮይኑ ግን እቲ ዓወት ገና ኣይተዛዘመን \"ነፃ ዘይወፁ ከባቢታት ኣለውና’’ ኢሎም ። ኣብ ዓውዲ ኵናት ተሳዒሮም ንዝብል ዘይተቐበሉዎ መራሕቲ ህወሓት ስልታዊ ምንስሓብ ምግባሮም ይገልፁ ኣለው።ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ትማሊ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሑዎ ፅሑፍ ካብ ሰሜን ሸዋ፣ኮምበልቻን ደሴን ዝወፁ ብመሰረት ትልሞም ምዃኑ ተዛሪቦም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6344616.html"} {"headline":"ፕረ.ሳህለወርቅ ብሰንኪ ኲናት ዝተመዛበሉ ምጥያስ ዝለዓለ ጠመተ ክወሃቦ ኣተሓሳሲበን","content":"ብሰንኪ ኵናት ዝተመዛበሉ ሰባት ዳግም ምጥያስ ዝለዓለ ጠመተ ክወሃቦ ናይ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህልወርቅ ዘውዴ ኣተሓሳሲበን። ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ ሰባት ናብ መነባብርኦም ንምምላስ ‘’ክንድ'ቲ ኵናት’’ ከቢድ ከምዝኾነ ዝገለፃ ፕረዚደንት ሳህለ ወርቅ ኢትዮጵያዊያን ተረባሪቦም ንተመዛበልቲ ኣብ ምጥያስ ክሳተፉ ፃውዒተን ኣቕሪበን። ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ኣብ ዝተኸበረ ብዓል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ተረኺበን መደረ ዘስምዓ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ብዛዕባ ምፍራስ ሃገር ዝልዓለ ሓሳብ ካብ ናይ ኩሉ ሕሊና ክጠፍእ ከምዘለዎ ሓቢረን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%88%B3%E1%88%85%E1%88%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%85-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%88%9D%E1%8C%A5%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8B%9D%E1%88%88%E1%8B%93%E1%88%88-%E1%8C%A0%E1%88%98%E1%89%B0-%E1%8A%AD%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A6-%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%B3%E1%88%B2%E1%89%A0%E1%8A%95\/6344561.html"} {"headline":"'ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ይዕወት'ሎ' ቀዳማይ ሚኒስተር","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሰራዊት እታ ሃገር ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ይዕወት'ሎ ክብሉ ተዛሪቦም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ነዚ ዝተዛረቡ ትማሊ ሰኑይ ካብ ግንባር ኹናት ኾይኖም ብቴሌቭዥን እታ ሃገር'ዮም። \"ወታሃደራትና ንምእማኑ ንምዝራቡን ብዝኸብድ ደረጃ ጀጋኑ'ዮም። ከምዚ ትዕዘብዎ ኹናት ምትዃስ ጥራይ ኣይኮነን። ሓያለ ኪሎ vትር ብእግሪ ምጉዓዝን ምጽማእን ዘለዎ'ዩ። ከይበልዑን ከይሰተዩን ብእግሮም ለይቲን ቀትርን ተጓዒዞም ዮም ነዚ ኹሉ ቦታ ነጻ ዘውጽዕዎ። ዝተረኽበ ዓወት ንምእማኑ ዝኸብድ'ዩ። ብስም ሚኒስትሪ ምክልኻል ሃገር ኣዝዩ ሓበን ተሰሚዑና'ሎ። ብህዝብና ተሓቢና'ለና \" ኢሎም። ዶ\/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ንመሓውራት እቲ ኽልል ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺን ከምኡ'ውን ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብትዊተር ኣቢሎም ዘውጽእዎ መልእኽቲ ተሳዒሮም ዘይኾነስ ብመሰረት ስትራቴጂካዊ ውጥኖም ካብቲ ሒዞሞ ዝነበሩ ከባቢታት ምውጽኦም ገሊጾም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%8C%BB%E1%88%AD-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%AD%E1%8B%95%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%88%8E-%E1%89%80%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%88%AD\/6343288.html"} {"headline":"መግለጺ ቤት ጽሕፈት ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ","content":"ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ግንባር ኹናት ዓወታት ሓፊሶም ንስትራተጂካዊት ከተማ ደሴን ናይ ኢንዱስትሪን ከተማ ኮምቦልቻን ተቆጻጺሮም ክብል ኣፍሊጡ። ብመሰረት መግለጺ እቲ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ግንባር ንሰራዊት ምምራሕ ዝርከብሉ ካልኣይ ሰሙን ብተወሳኺ ምምላስ ብዙሓት ስትራቴጂካዊ ቦታታት እዚ ናይ ትማሊ ነቲ ኣብ ምብትታን ዘሎ ኣሸባሪ ጉጅለ ዓብይ ኪሳራ'ዩ ኢሉ'ሎ። እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ሓይልታት ምክልኻል ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎም ተዋጋእቲ ህወሓት ምሓዙ ቀጺሉ'ሎ ብዙሓት'ዉን ኢዶም ንኽህቡ ዝቀረበ መጸዋዕታ ሰሚዖም እዮም ኢሉ። እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ህወሓት ሒዝወን ኣብ ዝነበረ ከተማታት ኣምሓራን ዓፋርን ዓብይ ዕንወት ንብረት ህዝብን ውልቂን ኣውሪዱ ከቢድ ግፍዕታትን ምግሃሳት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰላማውያን ሰባት ምፍጻሙ መረጋገጺታት ይቀላቀል'ሎ ድሕሪ ምባል ኣብ ጋሺናን ሰሜን ሸዋ ከተማ ኣንጾክያን ጅምላዊ ቅትለት ተፈጺሙ፥ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ሰፋሕቲ ጸብጻባት ጾታዊ ዓመጻት ዝምልከት ጸብጻባት ይወጽእ ሎ። ነዚ ንምቅላዕ ኸኣ ቀጻሊ ምርመራ ኸድሊ'ዩ ኢሉ'ሎ። እቲ መግለጺ ምዕራባውያን ሃገራትን ዓለምለኸ ጉጅለታትን ነዚ ተፈጺሙ ዝተባህለ ጅምላዊ ምግሃሳት ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዒታት ህወሓትን ኣይተመልከትዎን ክብል ነቂፉ። እዚ ፖሎቲካዎ ተበግሶ ዘለዎን ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ድርብ መዐቀኒ ከምዘሎ ንጹር'ዩ ኢሉ'ሎ። እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ተኻይዱ ንዝበሎ ሰብኣዊ ረድኤት ናይ ምብጻሕ ሰራሕ'ዉን ኣብ ክልላት ኣምሓራ ዓፋርን ትግራይን ጠቂሱ ግን ገለ 900 ዝኾና ናይ ጽዕነት መኻይን ገና ብህወሓት ተታሒዘን ኣለዋ ክብል ኸሲሱ። እቲ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ዳስፖራ ጌሮሞ ንዝበሎም ኣበርክቶ'ዉን ምስጋና ኣቅሪቡ'ሎ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8C%BD%E1%88%95%E1%8D%88%E1%89%B5-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/6343223.html"} {"headline":"ሓይልታት ኢትዮጵያ ንኸተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ዳግም ምቍጽጻሮም ኣፍሊጦም","content":"ንምንጭታት መንግስቲ ዝጠቐሰ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ከም ዝሓበሮ፡ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስትራተጂካዊ ከተማታት ኮምቦልቻን ደሴን ካብ ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይ ኣምሊሶመን ኣለዉ። ተዋጋእቲ ህወሓት ቅድሚ ወርሒ ነተን ከተማታት ብምሓዝ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምምራሽ ኣፈራሪሖም ምንባሮም ይዝከር። ብዛዕባ`ዚ ዳሕራዋይ ኩነታት፡ ርእይቶ ንኽህብ ብሮይተርስ ዝተደለየ ወሃቢ ቓል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ኣይተረኽበን። እዚ ተኸታታሊ ምቍጽጻር ቦታታት ዝስማዕ ዘሎ፡ ቀዳማይ ሚስንተር ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ ኲናት ብኣካል ንምምራሕ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጺኡ ናብ ግንባር ድሕሪ ምኻዱ`ዩ ይብል ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ። ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ ኣብ ዓውደ ኲናት ስትራተጂካዊ ምትዕርራያት ይገብሩ ከምዘለዉ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጾም`ዩም- ስለምንታይ ወይ ከመይ ዝብል ግን ዝርዝር ኣይሃቡን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6341799.html"} {"headline":"መግለጺ ዶ\/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል","content":"“ቦታታት ዝለቐቕና ብናይ ባዕልና ፍቓድን ቦታታ’ት ንምምቻውን’ዩ” ክብሉ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ምስ ማዕከናት ዜና’ቲ ክልል፡ ንእዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪቶም ኣብ ዝገበሩዎ መብርሂ ገሊጾም። ዶክተር ደብረጽዮን ወሲኾም ኣብቲ ኲናት ሓይልታት ወጻኢ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኰይኖም’ውን ይሳተፉ ኣለዉ ኢሎም ከሲሶም ኣለዉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%8C%BD%E1%8B%A8%E1%8A%95-%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%9A%E1%8A%AB%E1%8A%A4%E1%88%8D\/6341690.html"} {"headline":"ኮሚሽን ሰ\/መሰላት ኢትዮጵያ: ዕጡቓት ህወሓት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ጥሕሰት ሰ\/መሰላት ፈጺሞም ዝብል ጥርዓናት ከምዝበጽሖ ገሊጹ","content":"ዕጡቓት ህወሓት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከበድቲ ክብሃሉ ዝኽእሉ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ምፍፃሞም ጥርዓናት ከምዝበፅሖ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። \"ከም ገለልተኛ ተቋም ስፍሕ ዝበለ ምርመራን ምፅራይን ክንገብር ኢና’’ክብሉ ናይቲ ኮሚሽን ዋና ኮሚሽነር ዳንኤል በቀለ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ተዛሪቦም። ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብዚ ቅኒያት ኣብ ዝተቖፃፀሮም ናይ ኣምሓራን ዓፋርን ከባቢታት ህወሓት ብኣማኢቲ ንዝቑፀሩ ስቪላት ቀቲሉ ንብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብኣስገዳድ ደፊሩ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊፁ። ብህወሓት ተፈፂሞም ንዝተባህሉ ተደጋገምቲ ክስታት መራሕቲ እቲ ውድብ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ዝሃቡዎም ርእይቶታት ነቶም ክስታት ከምዘይቕበሉዎም ምግላፆምን ዓለምለኸን ገለልተኛን ዝኾነ አካል ምርመራ ይካየድ ክብሉ ምሕታቶምን ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%8C%A5%E1%88%95%E1%88%B0%E1%89%B5-%E1%88%B0-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%9E%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8C%A5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%8C%BD%E1%88%96-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6341488.html"} {"headline":"ኣመሪካ ትርከቦም ሓሙሽተ ሃገራት ኢትዮጵያ ብዘይ ክሲ ዜጋታት ምእሳር ደው ከተብል ጸዊዖም","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓብይ ቁፅሪ ዘለዎም ዜጋታት ብብሄሮም ምኽንያት ብዘይ ኽሲ ምእሳሩ ብዝገልፁ ናይ ቀረባ ፀብፃባት ኣዚና ተሻቂልና ክብላ ሃገራት ኣውስትራልያ፡ ካናዳ፡ ዴንማርክ፡ ኔዘርላንድስ፡ ብሪጣንያን ኣመሪካን ገሊጸን ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕዳር 2 ብዝኣወጆ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ንተወላዶ ገለ ብሄራት ብጅምላ ንምእሳር ምኹኑይ ኣይኮነን ክብላ እተን ሃገራት ምግላፀን እቲ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ዝተዘርግሐ ናይ ፅሑፍ ሓባራዊ መግለፂ አፍሊጡ’ሎ። ፀብፃባት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኣምንስቲ ኢንተርናሽናልን፡ ካህናት ኦርቶዶክስ ፡ ብዕድመ ሽማግለታት፡ አዴታትን ምስ ቆልዑተን ሓዊሱ ተጋሩ ብሰፍሓት ከምዝተኣስሩ ገሊፆም’ዮም ዝበለ’ቲ ሓባራዊ መግለፂ ውልቀሰባት ብዘይ ኽስን ከይዲ ምስማዕ ቤት ፍርዲን ብሕሱም ኩነታት ተታሒዞም ከም ዘለዉ ፀብፃባት ኣሎ ፡ እዚ ተግባራት ዓለምለኸ ሕጊ ምስ ምጥሓስ ዝዳረግን ብሕጹጽ ደው ክብል ኣለዎ ኢሉ’ሎ። እቲ ሓባራዊ መግለፂ ብዘይ ዕንቅፋት ብእዋኑን ንዓለምለኸ ተዓዘብቲ ፍቃድ ክወሃብ’ዉን ንፅውዕ ኢሉ’ሎ ። ብናይ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ሓባራዊ ምርመራ ዝተገልፁ ምስ ጎንፂ ዝተሓሓዙ ከም ፆታዊ ዓመፅ ዝበሉ ምግሃሳት ሰብአዊ መሰላትን ዓመፃትን ከምኡ’ዉን ብኹሎም ወገናት ይፍፀም ከም ዘሎ ብቀጻሊ ፀብፃባት ዝግለፅ ዘሎ ግፍዕታት ዓሚቅ ሻቅሎትና ደጊምና ንገልፅ ዝበለ’ቲ ሓባራዊ መግለፂ፡ ኹሎም ወገናት ንሰላማውያን ሰባት ንሰብኣዊን ሕክምናን ሰራሕተኛታት ኣብ ምክልኻል ንዓለምለኸ ሕጊ ክምእዘዙን ነዚ ጎንፂ ወታሃደራዊ ፍታሕ ከምዘይብሉ ንፁር’ዩ ስለዚ ኹሎም ተወሳእቲ እቲ ጎንፂ ምቑራፅ ተፃብኦ ክገብሩ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክወፁ ኣለዎም ኢሉ’ሎ። ኣብ መወዳእታ፡ ኹሎም ወገናት ብዘይ ቅድመ ኩነትነባሪ ምቁራፅ ተፃብኦ ንምግባር ንዘሎ ኣጋጣሚ ልዝብ ክጥቀምሉን ፡ ኢትዮጵያውያን ኹሉ ሓቆፍ ህንፀት ፖለቲካዊ ከይዲን ሃገራዊ ስምምዕን ብፖለቲካውን ሕጋዊን መንገዲ ክሃንፁን ኹሎም ኣብ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ኢድ ዘለዎም ተሓተቲ ኽኾኑን ኣለዎም ክብል እቲ ሃገራት ኣውስትራልያ: ካናዳ :ዴንማርክ: ኔዘርላንድስ: ብሪጣንያን ኣመሪካን ዘውፅእኦ ሓባራዊ መግለፂ ኣፍሊጡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%89%B5%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%88%93%E1%88%99%E1%88%BD%E1%89%B0-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%B2-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%88%B3%E1%88%AD-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%96%E1%88%9D\/6341474.html"} {"headline":"ኣብ መቐለ ደብዳበ ድሮን ተኻዪዱ፣ ንብረት ሲቪላውያን ዜጋታት ኣዕንዩ","content":"ኣብ ከተማ መቐለ ትማሊ ሰንበት ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ደብዳብ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት (ድሮን) ተፈፂሙ። እቲ ደብዳብ ኣብታ ከተማ ዓዲሹንድሑን ኣብ ዝበሃል መንበሪ ኣባይቲ ከም ዝተፈፀመ ተሓቢሩ። በቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ንብረት ጉድኣት ዝበፅሐ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ ዝበፀሐ ጉድኣት የለን ተባሂሉ። ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረበን መንበሪ ገዘአን መጥቃዕቲ ዝበፅሖ ወይዘሮ ጥዑምቱ ሓድጉ ፥ ትማሊ ሰንበት 26 ሕዳር 2014 ዓመተ ምህረት ኣብ ገዘአን ቡን ምስ ስድራ እናሰተያ ኣብ እቲ ሓደ ክፍሊ እቲ ዝተተኮሰ ከምዝዓለበ ሓቢረን። በዚ ድማ ገዘአንን ንብረተንን ከምዝዓነወ ተዛሪበን። እቲ ከባቢ መንበሪ ኣባይቲ እምበር ዝኾነ ወታሃደራዊ ምንቅስቓስ ከም ዘይብሉ ድማ ወሲኸን ሓቢረን። መጥቃዕቲ ዝበፅሖም ክልተ ኣባይቲ ከምዝፈረሱን ንብረቶም እውን ከም ዝዓነወ ምርኣዩ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ መቐለ ፀብፂቡ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%89%A0-%E1%8B%B5%E1%88%AE%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AA%E1%8B%B1-%E1%8A%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%88%B2%E1%89%AA%E1%88%8B%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%95%E1%8A%95%E1%8B%A9\/6341314.html"} {"headline":"ኣብ ከባቢታት ሰሜን ሸዋ መንግስታዊ ኣገልግሎታት ንምጅማር ምንቅስቃሳት ምጅማሩ ተገሊጹ","content":"ሓይልታት ህወሓት ካብ ዝኣተውሎም ከባቢታት ሰሜን ሸዋ ክወፁ ምስተገብረ ስዒቡ መንግስታዊ ኣገልግሎታት ንምጅማር ምንቅስቓስ ይግበር ከምዘሎ ዋና ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ገሊፆም። ኣብቲ እዋን ተመዛቢሎም ዝነበሩ ናይቲ ዞባ ነበርቲ እውን ናብ ከባቢኦም ተመሊሶም ብመጠን ዝወረዶም ጉድኣት ዕለታዊ መግብን ካልኦት ሓገዛትን ከምዝወሃቦም እቶም ዋና ኣመሓዳሪ ኣረጋጊፆም። ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ሓሙሽተ ወረዳታትን 86 ጣቢያታትን ኣትዮም ዝነበሩ ሓይልታት ህወሓት ምሉእ ብምሉእ ክወፁ ከምዝተገበሩ እቶም ዋና ኣመሓዳሪ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም። ንናይቲ ከባቢ መራኸቢ ብዙሃን ጋዜጣዊ መግለፂ ዝሃቡ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ግን ስልታዊ ምንስሓብ ምግባሮም ገሊጾም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6341586.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኦሮምያ ዘጋጠመ ግጭት ኣብ ሰብ ጉድኣት ምውራዱ ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ከባቢ ከረዩ ኣብ መንጎ ፍሉይ ሓይልን ናይቲ ክልል ሰበስልጣንን ሸኔ ኢሎም ዝፅውዕዎ ንባዕሎም ግን ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ ኢሎም ዝፅውዑ ዕጡቓት ኣብዚ ሰሙን ብዝተፈጥረ ግጭት ኣብ ልዕሊ ህይወትን ኣካልን ጉድኣት ምውራዱ ተገሊፁ። ኣብ ፈንታሌ ንዘጋጠመ ቅትለት ናይ ከረዩ ኣባ ገዳ ኣቶ ከዲር ሃዋስ ቦሩ ሓይልታት ፀጥታ መንግስትን ዕጡቓትንን ንነሕድ ሕዶም ይካሰሱ ኣለው። ናይቲ ክልል መንግስቲ ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ \"ዕጡቓት ሸኔን ህወሓትን ናይ መንግስቲ ሓይልታት ክዳን ተኸዲኖም መጥቓዕቲ ይፍፅሙ ኣለው’’ክብል ከሲሱ። ሓፍቶም ነቶም ኣባገዳ ምዃነን ዝገለፃ ወይዘሮ ወርቄ ሃዋስ ሓወን ዝሓለፈ ረቡዕ ንናይ ገዳ ስነስርዓት ብዙሕ ሰብ ኣብ ዝተኣከበሉ ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ናይ ኦሮሚያ ፍሉይ ሓይልን ፖሊስን ተኸዲኖም መጺኦም ከምዝወሰዱዎም ገሊፀን።ኣብ ገዛ ዝነበሩ ደቂ ተባዕቲዮ እውን ሒዞምዎ ከምዝኸዱን ካብኣቶም ክልተ ጥራሕ ከምዝተመለሱን ገሊፀን። ነባራይ ወረዳ ፈንተሌ ምዃኖም ዝገለፁ ኣቶ ድልቦ ኣባ ገዳ ከዲርን ካልኦት ሰባትን ኣብ ሃሮ ቆርሳ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ተወሲዶም ከምዝተቐትሉ ከምዝፈልጡ ተዛሪቦም። ብዛዕባ እቲ ዝተፈጥረ ኩነታትን ቅትለት ኣባገዳን መግለፂ ዘውፅአ ቢሮ ኮሚኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ ፈጻሚ ቲ ቅትለት ሸኔ እዩ ክብል ኸሲሱ ኣሎ ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B5%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%AB%E1%8B%B1-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6338621.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ ኣብ መላእ ዓለም ብዝተፈላለየ ቅልውላዋት ዝሳቐዩ 183 ሚልዮን ሰባት ንምሕጋዝ 41 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ተማሕጺኑ","content":"ሕ\/ሃ አብ ዙርያ ዓለም ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ቅልውላዋት፣ ድኽነት፣ ግጭትን ሳዕቤን ኮቪድ 19ን ንዝሳቀዩ 183 ሚልዮን ህዝቢ ንምሕጋዝ ዘኽእሎ 41 ቢልዮን ዶላር ተማሕጺኑ። ብመሰረት ሰበ ስልጣን ሕ\/ሃ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ 274 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ተጸበይቲ ረድኤትን ሓለዋ ዘድልዮምን ከምዝኾኑ ጠቂሱ። ኣተሓባባሪ ህጹጽ ረድኤት ሕ\/ሃ ማርቲን ግሪፍስ \"ቀንዲ መበገሲ’ዞም ዝተጠቅሱ ጸገማት፣ ንነዊሕ ጊዜ ዝጸንሑ ውግኣት፣ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ፣ ቁጠባዊ ውድቀት፣ ሕማቅ ኩነታት ኣየርን ለበዳ ኮቪድ 19ን ከምዝኾኑ\" ገሊጾም። ንሶም ኣስዒቦም \"ብደረጃ ዓለም 45 ሚልዮን ህዝቢታት ንጥምየት ተቃሊዖም አለው። ሓደ ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ዓለም ካብ መነባብርኡ ተመዛቢሉ ይርከብ። ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ምሒር ግዳያት ዝኾናሉ ጊዜ ኢና ኣቲና። ልዕሊ ኩሉ ሰላማዊያን ሰባት እዮም ይሳቀዩ ዘለ\" ኢሎም። ሓቂ እዩ ረድኤት ንህይወት የድሕን እዩ ግን ነባሪ ፍታሕ ኣየምጽን ዝበሉ እቶም በዓል ስልጣን ሕ\/ሃ፣ ሰብኣዊ ረድኤት ምዕባለ ንዘረጋግጽ ደገፍ ኣይትክእን ኢሎም። \"ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሪኢናዮ ኢና። ንኣብነት ኣፍጋኒስታን። ሰብኣዊ ረድኤት ንጸገም ህዝቢ ኣፍጋኒስታን ፍታሕ ኣየርክበሎምን። ህዝቢ ንምርግጋእ ተመራጺ መገዲ ኣይኮነን። ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ውግእ ዝተፈጠረ ዘሕዝን ነገር፣ ጠንቁ ንዝሓለፉ 40 ዓመታት ዝተመዝገቡ ምዕባለታት ምሽርሻሮም እዩ።\" ግሪፍዝ ወሲኾም ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ቅልውላው፣ ብመንጽር ህጹጽ ሓገዝ ሓደገኛ መኣዝን ሒዙ ከምዘሎ ይጠቅሱ። ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ዓፋርን ትግራይን ትሸዓተ ሚልዮን ህዝቢ ሕጽረት መግቢ ኣጓኒፍዎ ከምዘሎ ሓቢሮም። ብተወሳኺ ካብ መንጎኦም፣ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ንከቢድ ጸገም ኣመጋግባ ተቃሊዖም፣ 400 ሽሕ ድማ ኣብ ጥቃ ጥምየት ዝርከቡሓቢሮም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6336899.html"} {"headline":"ሓደ ዓመት ግጭት ትግራይ ንምዝካር ኣብ ዝተኻየደ ናይ ስእሊ ምርኢ ዝተሳተፈ ሃፍቶም ካሳ","content":"ሓደ ዓመት ግጭት ትግራይ ምኽንያት ብምግባር ካብ 4 ክሳብ 7 ሕዳር 2021 ኣ\\ፈ ኣብዚ ኣብ ከባቢ ዋሽንግተን ዲሲ ናይ ስእሊ ምርኢት ተኻይዱ ነይሩ።ኣብ ቀረባ ግዜ ብተወለድቲ ትግራይ ዝተጣየሸ‘’ 24 ስዓታት ንትግራይ’’ (24 Hours for Tigray) ብዝብል ሽም ብዝተጣየሸ ጉጅለ ዝተዳለወ ምርኢት ስነ ጥበኛታት ኣታዊኡ ንህንፀት ትግራይ ዝውዕል ውፂት ስራሕቶም ብምቕራብ ተሳቲፎም ኣለው። ሽዱሽተውፅኢ ስራሕቱ ብምቕራብ ዝተሳተፈ ነባራይ ከባቢ ዋሽንግተን ዲሲ ዝኾነ መንእሰይ ሃፍቶም ካሳ ጋሻ መናእሰይ ገይርና ኣዘራሪቢናዮ ኣለና። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/an-art-exhibition-to-commemorate-one-year-tigray-conflict-was-held-in-washington-dc-area\/6337067.html"} {"headline":"ፕሮግራም መግቢ ዓለም ረድኤት ዝጸዓና ኣርባዕተ መካይን መቐለን ምእታወን ገሊጹ","content":"ፕሮግራም መግቢ ዓለም፣ ረድኤት ዝጻዓና ኣርባዕተ መካይን ኣብ መቐለ ከምዝኣተዋ ገሊጹ። ካብ 25 ሕዳር ንደሓር ልዕሊ 150 ናይ ጽዕነት መካይን ኣብ መቐለ ከምዝበጽሓ፣ ንጠለብ 5.2 ሚልዮን ህዝቢ ንምምላእ ዕለታዊ ዋሕዚ መካይን ከምዝልእኽ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ ኣሎ። ብሰንኪ ግጭትን ጸገም መተሓላለፊ ፈቃድን፣ ምእታው ረድኤት ዝጻዓና መካይን ናም መቐለ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ተቋሪጹ ከምዝጸንሐ ዝዝከር እዩ። እቲ ትካል ወሲኹ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ደሴን ኮምቦልቻን ንዘለው ክሳብ 100 ሽሕ ህዝቢ ፣ ክሳብ ዝቅጽል ክልተ ሰሙናት ንልዕሊ 450 ሽሕ ህዝቢ ሓገዝ ከምዘርክበሎም ኣፍሊጡ ኣሎ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎ ስራሕ፣ ብሰንኪ ስእነት ሰላም፣ ዕንቕፋት ኣብ ምትሕልላፍ መካይንን ነፈርትን ከምኡ'ውን ብሕጽረት ነዳዲን ገንዘብን ይተዓናቀፍ ከምዘሎ ገሊጹ። ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ልዕሊ 67 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ክዙን እኽሊ ከምዘለዎ ዝሓበረ ፕሮግራም መግቢ ዓለም እዚ መጠን እኽሊ’ዚ ን 3.7 ሚልዮን ህዝቢ ንክልተ ወርሒ ዝቅልብ እዩ ይብል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%88%A8%E1%8B%B5%E1%8A%A4%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8B%93%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%88%AD%E1%89%A3%E1%8B%95%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%88%E1%8A%95-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6336928.html"} {"headline":"ኣብ ንዝኽሪ ኣብ ኣኽሱም ዘጋጠመ ግፍዒ ዝተዳለወ ምርኢት","content":"ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣኽሱም፡ ህይወት ኣማኢት ሰለማውያን ዜጋታት ዝወሰደ ግፍዒ ምኽንያት ብምግባር፡ ኣስታት 40 መንእሰያት ዝተሳተፉዎ ስእላዊ ምርኢት ተኻዪዱ። ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ፡ ናብ ኣኽሱም ተጓዒዙ ነቲ ምርኢት ክዕዘብን ንገለ ካብቶም ተሳተፍቲ ከዘራርብን ክኢሉ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8A%BD%E1%88%B1%E1%88%9D-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%8C%8D%E1%8D%8D%E1%8B%92-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%B3%E1%88%88%E1%8B%88-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%A2%E1%89%B5\/6337092.html"} {"headline":"ኮሚተ ወጻኢ ዝምድናታት ባይቶ ኣመሪካ ንኣፍሪቃ ዝምልከት ኣኼባ ኣካዪዱ፣ ኣብ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘትዩ","content":"ኮሚተ ወጻኢ ዝምድናታት ኣመሪካ ትማሊ ሓደ ታሕሳስ ኣብ ዝተጋብኦ፡ ንጉዳያት ኣፍሪቃ ዝምልከት በበይኖም ኣርእስታት ደኣ የልዕል እምበር፡ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብቶም ኣተኵሮ ዝተገብረሎም ኣርእስታት’ዮም ነይሮም። ተወላዲት ሶማል ዝዀነት ተወካሊት ሚኒሶታ ኢልሃን ዖመር ሓንቲ ካብቶም ንጉዳይ’ቲ ዞባ ኣመልኪታ ሕቶታትን ጻውዒትን ዘቕረበት’ያ ነይራ። ቀዳማይ ሕቶ ኢልሃን ነቲ ኮሚተ፡ ንኣብ ኢትዮጵያ ተፈጺሙ ዝተባህለ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ዝምልከት ውጽኢት መጽናዕቱን ዝምልከቶ ሕጋዊ መስርሕን ዘቕርበሉ መዓስ’ዩ ዝብል’ዩ ነይሩ። ብጸሓፊት እቲ ኮሚተ ንኢልሃን ዝተዋህበ መልሲ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት፡ ነቲ ግጭት ንምዕራፍ ብዲፕሎማሲያዊ ኣገባብ ይሰርሑ ከም ዘለዉ’ዩ። ቀዳምነታት ናይቲ ኮሚተ ድማ ነቲ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒን መቕተልትን ብህጹጽ ደው ዝብለሉ መገዲ ምንዳይ ምዃኑ ጸሓፊት ኮሚተ ሞሊ ፊ ትሕብር። ስለዚ ከኣ ትብል ሞሊ ፊ እቲ ኮሚተ ውጽኢት ገምጋሙ፡ ግዜን ዕድልን ንምሃብ፡ ንደገ ከየውጽኦ ብውሽጢ ክሰርሕ ከም ዝወሰነ ገሊጻ። ጸሓፊት ኮሚተ ወጻኢ ዝምድናታት ኣመሪካ ወሲኻ፡ ኰይኑ ግን እቲ ኮሚተ ደቂቕ መጽናዕቱ ከም ዘካየደን ገና’ውን የካይድ ምህላዉን ሓቢራ። ፊ ወሲኻ፡ ነቲ ዘሎ ግጭት ዘጋድ ድ ዘሎ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንጽልኢ ዝዕድም ምቅላሕ ጽሑፋት ብሕልፊ ድማ ብኣብ ደገ ዝነበሩ ተወላዶ ኢትዮጵያን ኣካል መንግስቲ ኢትዮጵያን ደው ክብል እቲ ኮሚተ ከም ዝተዛራረበ ጠቒሳ። ወሲኻ ኢልሃን ዖመር “ከም ሕብረት ኢማራት ዓረብ፡ ኢራን፡ ቱርኪን ቻይናን ዝኣመሰላ ሃገራት ብቐጻሊ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ድሮንን ካልኦት ኣጽዋርን የዕጥቕኦ ከም ዘለዋ ጸብጻባት ስለ ዘሎ፡ ብእገዳ ኣጽዋር ክንገብር ግዜኡ’ዶ ኣይኰነን፧ ነቶም መሓዙትና ሃገራት ንመንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ምዕጣቕ ከቋርጹዎ’ኸ ክንነግሮም ግዜኡ’ዶ ኣይኰነን፧” ኢላ። ብወገን ኮሚተ ንኢልሃን ዝተዋህበ መልሲ፡ እገዳ ኣጽዋር ሓደ ካብቲ ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሓዊስካ ዘዘራርብ ዘሎ ኣርእስቲ ምዃኑ’ዩ። ካልእ ብኢልሃን ዖመር ዝተላዕሉ ጉዳያት ብሰንኪ’ቲ ኲናት ንዝሰፍሐ ግፍዒን ሓደገኛ ጕዕዞን ዝተቓልዑ ጉዳይ ስደተኛታት፣ ንኣብ ሶማል ዝርአ ዘሎ ምድንጓይ ምርጫ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ሱዳን ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ዝምልከትን ተራ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብዚ ጉዳይ ከመይ ምዃኑ ምሕታት’ዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B0-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%8A%93%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%95%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8A%BC%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%8A%AB%E1%8B%AA%E1%8B%B1-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%89%80%E1%88%AD%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8B%98%E1%89%B5%E1%8B%A9-\/6336820.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ዳያስፖራ ኢትዮጵያዊያን ናብ ዓዶም ክምለሱ ጻውዒት ምቕራቦም ተገሊጹ","content":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንዳያስፖራ ኢትዮጵያዊያን ‘ናብ ዓዶም ንክምለሱ’ ብማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ጻውዒት ከምዘቅረቡ ተፈሊጡ። እቲ መጸዋዕታ ክሳብ መዓልቲ ልደት ሓደ ሚልዮን ኢትዮጵያዊያን፣ ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ናብ ኢትዮጵያ ንክኣትው ከምዝጽውዕ’ውን ዝመጸ ዜና ጠቂሱ። እዚ መጸዋዕታ’ዚ ከምዝሓለፈ ንድምጺ ኣመሪካ ዝገለጻ፣ ሓላፊት ፕረስ ቤት ጽሕፈት ቀ\/ሚ ዝኾና ቢልለኔ ስዩም እየን ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6337066.html"} {"headline":"ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንከተማ ላሊበላን ካልኦት ሓያለ ከባቢታት ምቁጽጻሩ ተገሊጹ","content":"ሰራዊት ምክልኻልን ሓይልታት ጸጥታን ኢትዮጵያ መንግስቲ ኣሸባሪ ክብል ናይ ዝጸወዖ ህወሓትን ዕጡቓትን ሒዞሞ ዝነበሩ ሓያለ ቦታታት ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ተቖጻጺርና ክብሉ ሚኒስተር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን ዶ\/ር ለገሰ ቱሉ ኣፍሊጦም። ዶ\/ር ለገሰ ቱሉ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ መዝለሊ መጻኢ ዓወታት ብምባል ንዝገለጽዎ ተረኺቡ ዝበልዎ ወታሃደራዊ ዓወታት ኣብ ግንባር ጋሽና ሰራዊት ምክልኻልን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ፋኖን ብጥምረት ብዝወሰድዎ መጥቃዕቲ ንኸተማታት አርቢት: ኣቃትን ዳቦን ጋሺናን ነጻ ኣውጺኡ'ሎ ድሕሪ ምባል ኣብቲ ግንባር ጸላኢ ዝሃነጾ ናይ ኮንክሪት ድፋዕ'ዉን ምቁጽጻሮምን ሓይለ ኣጽዋር ምምራኾምን ሓቢሮም ። ዶ\/ር ለገሰ ቱሉ ወሲኾም ኣብ ግንባር ወረ-ኢሉ ንኸተማታት ጅማ: ደጎሎ: ወረ-ኢሉ: ገነተ ፍንጮፍቱን ኣከሰተን ናጻ ኣውጺኡ ኣብ ግንባር ሸዋ ኸኣ መዘዞ: ሞላለ: ንሽዋሮቢትን ከባቢኡን ራሳን ከባቢኡን ነጻ ኣውጺኡ ኢሎም። ቅድም ክብል ግንባር ምብራቅ ብጥምረት ሰራዊት ምክልኻልንን ፍሉይ ሓይልን ሚሊሽያን ዓፈር ኣሳጊታ: ኡርቃ: ዋሂማ: ጨፍቱ: ድሬሮቃ: ጭፍራን ኣለለን ነጻ ከምዝወጻ ገሊጾም። እዚ ከምዚሉ ኸሎ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ መንግስቲ ክልል ትግራይ ማእኸላዊ እዚ ኢሉ ዝጽውዖ ኣካል ዘሎ ህልው ኩነታት ኣጽኒዑ ቀጻሊ ስጉምቲ ንምውሳድ ወሲኑ'ሎ ኢሎም ለዉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ግድብ ሃይድሮ ኤሌትሪክ ተከዘ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ክብሉ'ዉን ከሲሶም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን እዚ ሓሶት ወረ'እዩ ብምባል ኣሉታ ሂብሉ'ሎ ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ፡ ንመግለጺ ሚኒስተር መራኸቢታት ኢትዮጵያ ብምጥቃስ ፡ ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ንኸተማ ላሊበላን እንኮላይ ማዕርፎ ነፈርቲ እታ ከተማን ከም ዝተቖጻጸሩ ጸብጺቡ ኣሎ። ከተማ ላሊበላ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓይልታት ትግራይ ኢያ ጸኒሓ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%8B%E1%88%8A%E1%89%A0%E1%88%8B%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A6%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8B%AB%E1%88%88-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%8C%BB%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6335414.html"} {"headline":"ሚ\/ጉ\/ወ ቻይና ምስ ናይ ኢትዮጵያ መዘነኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም: ተዘራሪቦም","content":"ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ሎሚ ንጉሆ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎምን ምስ ኣብ ቦሌ መዕርፎ ነፈርቲ ዝተቐበልዎም ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ደመቀ መኮነን ተራኺቦም ኣብ እዋናዊ ኩነታት ምዝርራቦምን ተሓቢሩ። ነዚ ዝሓበሩ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ዑደት እቶም በዓል ስልጣን ቻይና ኣብ እዋን ጸገም ኢትዮጵያ ዘለዎም ምሕዝነት ንምግላጽ'ዩ ኢሎም። ኣምባሳደር ረድዋን ሑሰን ብወገኖም ኣብ ናይ ቲዊተር ገጾም እዚ ዑደት ካብ ኢትዮጵያ ቀልጢፍኩም ውጹ ናብኣ ኣይትእተዉ ኣብ ዝበሃለሉ ግዜ ምኻኑ ጠቂሶም \"ሰፊሕ ተቃርኖ\" ክብሉ ገሊጾም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88-%E1%89%BB%E1%8B%AD%E1%8A%93-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%98%E1%8B%98%E1%8A%90%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D-\/6335454.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ንትካል ትዊተር “ጸግዒ ትግራይ ምሓዙ” ይኸስስ","content":"ትካል ማሕበራዊ መራኸቢታት ትዊተር ንገለ ተጠቀምቲ ትዊተር ሕግታቱ ጥሒሶም ኢሉ ብምኽልካሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ክሲ ከም ዘቕረበ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ኣመልኪቱ። ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ቢልለኔ ስዩም ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ትዊተር ንተሓለቕቲ ኢትዮጵያውያን ዒላማ ይገብር ከም ዘሎ ጠቒሳ። ንሳ ወሲኻ፡ ትካል ትዊተር ተደናገጽቲ ህወሓት ሰሊኾሞ ኣለዉ ትብል። ቢልለኔ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺኣ ካልኦት ዓበይቲ ትካላት’ውን ብተመሳሳሊ ስልኳ ከም ዝተጠቕዓ’ያ እትሕብር። ዋላ’ኳ ኣየኖት ተሓለቕቲ ኢትዮጵያ ዝዀኑ ተጠቅምቲ ትዊተር ከም ዝተኸልከሉ ደኣ ኣይትጥቀስር እምበር፡ ወግዓዊ ጥርዓን ናብ ክፍሊ ፖሊሲ ትዊተር ኣቕሪቦም ከም ዘለዉ’ውን ቢልለኔ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ሓቢራ። ብመሰረት ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ኒው ኣፍሪካ ኢንስቲትዩት ዝተሰምየ ትካልን ኣካያዲኣ ስምኦን ተስፋማርያምን ካብ ትዊተር ምኽልካሎም’ውን ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ተመሳሳሊ ቍጥዐ ፈጢሩ ኣሎ፡፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ “ስምኦን ብዝገብሮ ዓሚቝ ምርምር ኣንጻር ዝምቡዕ ዜናታትን ፖለቲካዊ ኣድልዎ ዝሓዙ ናይ ቀንዲ ማዕከናት ዜና ትንታነን” ጽሑፋት ብምክፋሉ ክምጕስ ዝግበኦ’ዩ ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። ወሲኹ ሚኒስተር የማነ፡ እቲ ትዊተር ዝወሰዶ ስጕምቲ ዘይቅቡል’ዩ ድሕሪ ምባል ብቕልጡፍ ዳግም ክምርመር ጸዊዑ። ወሃብ ቃል ትዊተር፡ ስምኦን፡ ሓያሎ ምስሩሓት ኣካውንት ብምኽፋትን ንዘየሎ ምልልስ ንኽፈጥር ዕድል ብምፍጣርን ንፖሊሲ ትዊተር ከም ዝጠሓሰ የመልክት። እቲ ወሃብ ቃል ወሲኹ፡ ትካል ትዊተር ፖለቲካዊ ጸግዒ ከም ዘይብሉ ሓቢሩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8B%8A%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8C%B8%E1%8C%8D%E1%8B%92-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%93%E1%8B%99-%E1%8B%AD%E1%8A%B8%E1%88%B5%E1%88%B5\/6335042.html"} {"headline":"ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብ እዋናዊ ኩነታት'ታ ሃገር ዝሃቦ መግለጺ","content":"ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ፕረስ ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ቢልለኔ ስዩም ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ተመርኩሰን ሎሚ ሰሉስ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂበን። እተን ወሃቢት ቃል ኣብ ዘስመዐዖ መግለጺ ቀ\/ሚ ናብ ዓውደ ግንባር ካብ ዝተበገስሉ እዋን ንዘሎ ፍጻመታት ሓደ ሰሙን፣ ኩነተ ህጹጽ ኣዋጅ፣ ግብረ መልሲ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ህልዊ ሰላምን ጸጥታን ኢትዮጵያ፣ ፈጸምቲ ግፍዒን ተሓታታይነትን፣ ወፍሪ ምድንጋር፣ ንማሕበረሰብ ዓለምን ንዳያስፖራ ኢትዮጵያዊያን መጸዋዕታን ዝብሉ ሸሞንተ ነጥቢታት ዝሓዘ እዩ። ንሰን ኣብ መግለጺኣን \"ቀ\/ሚ ናብ ዓውዲ ውግእ ምውፋሮም፣ መንግስቲ ንሰላም ዘለዎ መርገጺ ከምዝቀየረ ዘርኢ ኣይኮነን፣ ኣብ ክንድኡ ሸርሒ ጉጅለ ፈጣሪ ራዕዲን ናይ ወጻኢ ተሓባበርቱን ስግኣት ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ንምኹላፍ ዘሎ ተገዳስነት ዝሕብር እዩ\" ኢለን። ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ዝተተግበረ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ውጡን ሽበራዊ ተግባር ንምቁጽጻር ከምዝኾነ’ውን እተን ወሃቢት ቃል ጠቂሰን። ብመሰረት ኮምሽን ምክልኻል ሓደጋን ድልውነትን ንዝበለኦ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ዓፋርን ትግራይን ዘሎ ኩነተ ቀረብን ጠለብን ሰብኣዊ ረድኤት’ውን ንጋዜጠኛታት ገሊጸን። ንኩነተ ሰላምን ጸጥታን’ታ ሃገር ኣመልኪተን ክዛረባ ከለዋ \"ውግእ ዝካየደሎም ከባቢታት ኣለው’ዮም፣ እንተኾነ፣ ምሉእ ሃገር ኣብ ውግእ ሕድ-ሕድ ኣትያ ኢልካ ዘረባ ካብ ሓቂ ዝራሓቀ እዩ\" ኢለን። እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ውግእ ሰሜን ኢትዮጵያ ካብ ዝተወለዐሉ ጊዜ ጀሚሩ ንዝተፈጸሙ ግፍዒታት ዝከታተል ብሚኒስተራት ዝምራሕ ኣካል ከምዝቆመ ቢል ለኔ ስዩም ኣፍሊጠን። ኣርባዕተ ኮሚቴታት ከምዝቆሙን፣ ኮሚቴ ኣናዳዪ ሓቂን ፈራዲን፣ ኮሚቴ ስደተኛታትን ውሽጣዊ ተመዛበልቲን፣ ኮሚቴ ጾታዊ መጥቓዕትን ኣብ ጾታ ዝተመርኮሱ መጥቃዕታትን፣ ኮሚቴ ምትእኽኻብ ዓቅሚታትን ጸጋታትን ከምዝኾኑ ተሓቢሩ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8C%BD%E1%88%95%E1%8D%88%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%88%83%E1%89%A6-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA\/6333758.html"} {"headline":"ቍጽሪ ብማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት ብዕጽፊ ምውሳኹ ተገሊጹ","content":"ብመሰረት ጸብጻብ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት (IOM) ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ናይዚ ዓመት’ዚ ቍጽሪ ብመገዲ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ክኣትዉ ዝፍትኑ ስደተኛታት ብዕጽፊ ዓብዩ ኣሎ። እቲ ትካል ከም ዘመልክቶ ቍጽሪ ናይቶም ስደተኛታት ክሳብ 77-ሽሕ ይግምገም። ሓደ ካብቲ ምኽንያት ናይቲ ምውሳኽ ቍጽሪ ኢሉ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ዝጠቐሶ ምንቍልቋል ጸጥታ ሊብያን ተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝርአ ምክልባትን’ዩ። በዚ ምኽንያት ድማ : እቲ ተኽእሎታት ደኣ ይጽበብ እምበር፡ ህይወቶም ንሓደጋ ኣቓሊዖም ንኤውሮጳ ክኣትዉ ዝፍትኑ ስደተኛታት እናወሰኸ ይመጽእ ምህላው እቲ ዝወጸ ጸብጻብ ይሕብር። ምስቲ እናገደደ ዝመጽእ ዘሎ ሓደጋታት ባሕሪ፡ ኣብ መንጎ ንዝተቐርቀሩ ስደተኛታት ዘድሕና መራኽብ ህይወት ኣድሕን’ውን ማዕረኡ ይዓብያ ከም ዘለዋ ጸብጻብ ድምጺ ኣመሪካ ካብ ኢጣልያ የምልክት። እንተዀነ እዘን መራኽብ ህይወት ኣድሕን ንስደተኛታት ዘተባብዓ ተባሂለን’ውን ይንቀፋ’የን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%8D%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%89%A5%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8B%E1%8B%AD-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%8A%AD%E1%88%B0%E1%8C%8D%E1%88%A9-%E1%8B%9D%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%8A%91-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%95%E1%8C%BD%E1%8D%8A-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%B9-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6333633.html"} {"headline":"ወታሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ቡርሃን ናብ ኣልፋሽጋ ምኻዶም ተሓቢሩ","content":"ወታሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ምስ ካልኦት ላዕለዎት ወታሃደራውያን ኣዘዝቲ ብምዃን ናብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘከራኽር ዘሎ ስፍራ ኣልፋሽጋ ከም ዝበጽሑ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ካርቱም ጸብጺቡ። ዑደት ጀነራል ቡርሃን፡ ሱዳን ሽዱሽተ ወተሃደራታ ብኢትዮጵያ ከም ዝተቐትሉዋ ድሕሪ ምግላጻ’ዩ። ከም መግለጺ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሱዳን፡ እቶም ወተሃደራት ሱዳን ንዅነታት ዓጺድ ክዕዘቡ ምስ ከዱ’ዮም ብወተሃራትን ሚሊሻን ኢትዮጵያ ተቐቲሎም። እቲ መግለጺ ወሲኹ’ውን ወተሃደራት ሱዳን መልሰ-መጥቃዕቲ ገይሮም ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከቢድ ክሳራ ከም ዘውረዱ የመልክት። ወሃብ ቃል ሚኒስትሪ ምክልኽላ ሱዳን ንረድዮ ድምጺ ኣመሪካ ከም ዝሓበሩዎ፡ ዑደት ጀነራል ቡርሃን ነቲ ዶባት ንምዕዛብን ሞራል ሰራዊት ክብ ንምባልን’ዩ። ብወገን ኢትዮጵያ ግን ዛጊት ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዝወጸ መግለጺ የሎን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%92-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8C%80%E1%8A%90%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%89%A1%E1%88%AD%E1%88%83%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%8D%8B%E1%88%BD%E1%8C%8B-%E1%88%9D%E1%8A%BB%E1%8B%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6332122.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣብ ክልል ዓፋር ምስ ሓይልታት ምክልኻል'ታ ሃገር ከምዝተራእዩ ተሓቢሩ","content":"ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ዓፋር ምስ ሓይልታት ምክልኻል'ታ ሃገር ተሓዊሶም ተራእዮም ክብል ንቴሊቪዥን ፋና ጠቂሱ ሮይተርስ ሓቢሩ ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲኖም ብቋንቋ ኣምሓርኛን ኦሮምኛን ኣብ ቴሌቪዥን ፋና ቀሪቦም ዘረባ ምስመዖም ዝሓበረ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ግን እቲ ቦታ ብርግጽ ኣበይ ምዃኑ ከረጋግጽ ከምዘይከአለ ይሕብር። ቀ\/ሚ ኣብይ “ ኣብቲ ማዕዶ ትርእይዎ ዘለኹም ጎቦ ስጋብ ትማሊ ኣብ ትሕቲ ፀላኢ እዩ ፀኒሑ ሐጂ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ቁፅፅርና ኣትዩ ኣሎ “ ኢሎም።ንሶም ብተወሳኺ “ስምዒት እቲ ሰራዊት ኣዝዩ ዘሐጉስ ምዃኑን” ኣብ መንጎ ትግራይን ዓፋርን ትርከብ ከተማ ጭፍራ ሎሚ ዓርቢ ከምዝቆፃፀርዋ ቃል ኣትዮም ። “ፀላኢ መሊኡ ስጋብ ዘይተቐብረን ናፅነት ኢትዮጵያ ስጋብ ዝረጋገፅን ንድሕሪት ኣይንምለስን ህይወትና'ውን ክንከፍል ኢና “ ኢሎም ። ቀዳማ ሚኒስትር ኣብይ ብሶኑይ ምሸት እዩ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝካየድ ዘሎ ኲናት ክመርሑ ናብ ግምባር ከምዝወፍሩ ዝሓበሩ ። ተዋጋእቲ ክልል ትግራይ ድማ ንርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ንምቁፅፃር ወይ'ውን እታ ወደብ ዘይብላ ሃገር ምስ ዝዓበየ ወደብ እቲ ዞባ ዘራኽብ መንገዳ ንምቁራፅ ከምዝፍትኑ የፈራርሑ ኣለዉ ። ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንቐርኒ ኣፍሪካ ጄፍሪ ፈልትማን ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምእታው ብኣንፈት ደቡብ ዝገበርዎ ፈተነ ይቀንዖም ከምዘሎን ብኣንፈት ምብራቕ ዘሎ ኮሪደራት መጉዓዝያ ንምቁራፅ ብርክት ዝበለ ፈተነታት ይገብር ምህላዉ ተዛሪቦም ። እቲ ዓመት ዝሓለፎ ጎንፂ ትግራይ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምስጋሩ ስዒቡ ብሓፈሻ 9.4 ሚልየን ህዝቢ ተጸባይ ሓገዝ መግቢ ኮይኑ ከምዝርከብ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብዓርቢ ወግዓዊ ጌሩ'ዩ ። እቲ ትካል ወሲኹ ካብዚኦም ልዕሊ 80 % ዝኾኑ ኣብ ድሕሪ እቲ ኲናት ዝካየደሉ ዘሎ ኸባቢ ዝርከቡ ምዃኖም ወሲኹ ሓቢሩ ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%A5%E1%8B%A9-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6329251.html"} {"headline":"ኣብ መቐለ ደብዳብ ድሮን ተኻዪዱ፣ መንበሪ ገዛ ሰላማውያን ሰባት ኣዕንዩን ጎዲኡን","content":"ሎሚ ዓርቢ 26 ሕዳር 2021 ኣብ ዲያስፖራ ዝተባህለ ከባቢ ከተማ መቐለ ደብዳበ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት (ድሮን) ተኻዪዱ። እቲ ደብዳብ ኣብ መንበሪ ገዛ ኣይተ ገዛኢ መድህን ዝተባህሉ ዜጋ ከምዘጋጠመን እቲ ገዛ ምስ ምሉእ ንብረቱ ከም ዝዓነወን ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ መቐለ ጸብጺቡ። በቲ ደብዳብ ድሮን ዛጊት ዝሞተ ሰብ ደኣ ኣይሃይሉ እምበር፡ ካልኦት ጕድኣት ዝወረዶም ግን ንሕክምና ከም ዝተወስዱ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ዝሓለፈ ቀዳም ናብ ሰንበት ዘውግሕ’ውን ኣብ ካልእ ከባቢ ከተማ መቐለ ደብዳበ ድሮን ከም ዝነበረ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ እዋኑ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ’ውን ናብቲ ዳግም ኣምሳል ዝተባህለ ስፍራ ከይዱ ከም ዝተዓዘቦ፡ በቲ መጥቃዕቲ ድሮን መንበሪ ገዛ ዓንዩን ሓደ ሰብ ድማ ብዝወረዶ መጕዳእቲ ንሕክምና ምውሳዱን ሓቢሩ። ወሃብ-ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ መንበሪ ሰለማዊ ህዝቢ ብደሮን ከም ዝተሃርመ ኣብ ትዊተር ኣስፊሮም ኣለዉ። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዝወጸ ሓበሬታ ዛጊት የሎን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%89%A5-%E1%8B%B5%E1%88%AE%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AA%E1%8B%B1-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%88%AA-%E1%8C%88%E1%8B%9B-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%95%E1%8A%95%E1%8B%A9%E1%8A%95-%E1%8C%8E%E1%8B%B2%E1%8A%A1%E1%8A%95\/6329159.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ኲናት ዘስዓቦ ስእነት ሕክምና 600 ኣዴታት ኣብ እዋን ሕርሲ ምሟተን ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ዝተካየደ ውግእ፣ ትካላት ጥዕና ስለዝዓነው፣ ብርክት ዝበላ ነብሰ ጾር ኣደታት ዝገላገላ ኣብ መንበሪ ገዝአን ስለዝኾነ ንመጠን ሞት ኣብ እዋን ሕርሲ ኣንሂርዎ ኣሎ። ኣስታት 600 ነብሰ ጾራት ኣብ እዋን ሕርሲ ከምዝሞታ ቢሮ ጥዕና’ቲ ክልል ሓቢሩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%88%B5%E1%8B%93%E1%89%A6-%E1%88%B5%E1%8A%A5%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%8A%93-600-%E1%8A%A3%E1%8B%B4%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%88%95%E1%88%AD%E1%88%B2-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B0%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6328171.html"} {"headline":"ቃለ መሕትት ምስ ዶ\/ር ሓድሽ ተስፋሃንስ ኣብ ኩነታት ቫይረስኮረናን ክታበትን","content":"ኮቪድ 19 ፈጺሙ ዝጠፍእ ኣይመስልን። ናይ ሎሚ መደብ ጥዕና ኮቪድ 19 ኣብዚ እዋን ዝርከበሉ ኩነታትን ኣድላይነት ክታበትን ብፍላይ ኸኣ መበራትዒ ክታበት ተባሂሉ ዝፍለጥ ክታበትን ረብሕኡን ብዝምልከት ካብዚ ካብ ከባቢ ዋሽንግተን ዲሲ ንዶ\/ር ሓድሽ ተስፋሃንስ ሓጎስ ኣዘራሪብና'ለና። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%88%95%E1%89%B5%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%89%B0%E1%88%B5%E1%8D%8B%E1%88%83%E1%8A%95%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%8A%AE%E1%88%A8%E1%8A%93%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%89%B3%E1%89%A0%E1%89%B5%E1%8A%95-\/6328109.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጠንቂቑ","content":"ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ተካይዶ ካብ ዘሎ ተፅዕኖ ክትዕቀብ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣጠንቂቑ። ኣብ ኢትዮጵያ መጥቓዕቲ ግብረ ሽበራ ክፍፀም ይኽእል እዩ ብዝብል ኤምባሲ ኣመሪካ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ መረዳእታ ዘይተመስረተ እዩ ክብሉ ምክትል ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን ኣቶ ከበደ ዳሲሳ ገሊፆም። ንድምጺ ኣመሪካ ብፅሑፍ መልሲ ዝሃቡ ሓደ ብዓል ስልጣን እቲ ኤምባሲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ድሕነት ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ዜጋታት ኣመሪካ ቀዳምነት ዝህበሉ ጉዳይ ስለዝኾነ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣመሪካዊያን ክወፁ ምትሕስሳብና ክቕፅል እዩ ኢሎም። ብዝተኣሳሰረ ዜና መንግስቲ ኣመሪካ ካልኦት ምዕራባዊያን ሃገራትን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ የካይዱዎ ኣለው ዝበሉዎ ጣልቃ ምእታው ብምቅዋም ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣፍ ደገ ኤምባሲታት ኣመሪካን ብሪጣንያን ድምፆም ኣስሚዖም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8A%A4%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%8C%A0%E1%8A%95%E1%89%82%E1%89%91\/6327820.html"} {"headline":"መንግስቲ ብሪጣንያ ዜጋታቱ ካብ ኢትዮጵያ ብህጹጽ ክወጹ ሓቢሩ","content":"መንግስቲ ብሪጣንያ ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ ናይ መዘኻኸሪ ጻውዒት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ስእነት ጸጥታ እናገደደ ይመጽእ ብምህላዉ፡ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ዜጋታቱ ብቕልጡፍን ብዘይ ቅድመ-ኵነትን ክወጹ ሓቢሩ። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ከም ዘመልከቶ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝዀነት ቪኪ ፎርድ፡ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ኲናት ናብ ኣዲስ-ኣበባ እናቐረበ ክመጽእ ከም ዝኽእል ብምምልካት፡ ድሕሪኡ ዜጋታት ምውጻእ ክኸብድ ምዃኑ ኣመልኪታ'ላ። እታ ሚኒስተር“እቶም ክጸንሑ ዝመረጹ ንዝመጽእ ሰሙናት ውሑስ መከላኸሊ ነብሶም ክፍትሹ ኣድላዪ’ዩ፡” ኢላ ። ብኣገላልጻ ሚኒስተር ፎርድ ድማ እቶም ዜጋታት ከምቲ ዝተሓበሮም ምስ ዘይገበሩ፡ ኣብ መጻኢ ካብ ኢትዮጵያ ንምውጻእ መንግስቶም ከውሕስ ከም ዘይክእል ጠቒሳ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%89%A5%E1%88%AA%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%8B%AB-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B1-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%85%E1%8C%B9%E1%8C%BD-%E1%8A%AD%E1%8B%88%E1%8C%B9-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6327804.html"} {"headline":"ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳሚ ሃይለ ገብረስላሴ “ዝሕተቶ መስዋእቲ ክኸፍል” ድሉዊ ምዃኑ ይሕብር","content":"ኦሎምፒካዊ ተዓዋቲ ወርቂ መዳልያ ጉያ እግሪ ሃይለ ገብረስላሴ፡ ንድሕነት ሃገሩ ክብል ካብኡ ዝድለ መስዋእቲ ክኸፍል ቅሩብ ምዃኑን ከም ኣድላያነቱ ድማ ናብ ቅድመ-ግንባር ክኸይድ ከም ዝተዳለወን ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። “ኣምባሳድር ሰላም” ተባሂሉ ዝጥቀስ ሃይለ፡ “ናብዚ እናመጹን ድሕሪ ምእታዎም እንታይ ክገብሩ ምዃኖም ዘይፍለጡን ኢድካ ኣጥሚርካ ምርኣይ ኣይከኣልን። ስለዚ ከኣ ኮፍ ኢለ ብፍርሒ ክጽበ ኣይኰንኩን፡ ተዳልየ ኣለኹ፡” ኢሉ። ወዲ 48 ዓመት ኣትለት ሃይለ ንተግባር ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ስዒቡ’ዩ ነዚ መግለጺ ዝ ህብ ዘሎ። ን27 ናይ ርሑቕ ጉያ ክብረ-ወሰን ዝሰበረ ሃይለ፡ ከም ስፖርተኛ መጠን ኣምባሳድር ሰላም ምዃኑ ደኣ የመልክት እምበር፡ ሕጂ ግን ናብዚ ኲናት ክኣቱ ከም ዝተደፍአ ንኣግልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ሃይለ ወሲኹ፡ ሓያሎ ደገፍቱ ከም ስፖርታዊን ኣብ ፈለማ ንሽምግልና ዝፍትን ዝነበረን ኣብቲ ኲናት ክኣቱ ምቕራቡ ክነቕፉዎ ምዃኖም ብምምልካት፡ “ህልውና ሃገርካ ኣብ ሓደጋ ክኣቱ እንከሎ’ሞ ካልእ እንታይ ኣማራጺ ኣሎ፧ ኵሉ ወንዚፍካ ምኻድ ጥራይ’ዩ፡” ኢሉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A6%E1%88%8E%E1%88%9D%E1%8D%92%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%89%B0%E1%89%90%E1%8B%B3%E1%8B%B3%E1%88%9A-%E1%88%83%E1%8B%AD%E1%88%88-%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%88%8B%E1%88%B4-%E1%8B%9D%E1%88%95%E1%89%B0%E1%89%B6-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%8B%8B%E1%8A%A5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%8A%B8%E1%8D%8D%E1%88%8D-%E1%8B%B5%E1%88%89%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%91-%E1%8B%AD%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%AD\/6327792.html"} {"headline":"ወለንተኛታት ንከተሞኦም ኣዲስ አበባ ይሕልዉ ከምዘለው ተገሊጹ","content":"ነበርቲ ዋና ከተማ ኢትዮጵያ አዲስ ኣበባ ኣንጻር'ቶም ዝግስግሱ ዘለዉ ፌደራል መንግስቲ ኣሽበርቲ ዝብሎም ሓይልታት ትግራይ ንኸተመኦም ይሕልዉ ከም ዘለዉ ይግለጽ'ሎ። ፖሊስ 147 ሽሕ ወለንተኛታት ሓለውቲ አሰልጢነ ክብል ክገልጽ ከሎ፤ ጉጅለታት ወለንተኛታት ብወገኖም ንኸተመኦም ካብ ሓይልታት ትግራይ ከም ዝከላኸሉ ይገልጹ'ለዉ። እቶም ሰልጠንቲ ተደናገጽቲ ህወሓት'እዮም ኢሎም ንዝጠርጠርዎም ንፖሊስ ክሕብሩ'ዉን ስልጠና ተዋሂብዎም'ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9E-%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8B%AD%E1%88%95%E1%88%8D%E1%8B%89-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6326702.html"} {"headline":"በረራ ሰብኣዊ ረዲኤት መቐለ ጀሚሩ","content":"ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ተቛሪፁ ዝነበረ ናብ ክልል ትግራይ ዝግበር በረራ ነፈርቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ዳግማይ ተጀሚሩ። ሎሚ ረቡዕ 24 ሕዳር:2021 29 ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ሰራሕተኛታት ትካላት ምግባረ ሰናይን ዝሓዘት ነፋሪት ንመቐለ ኣትያ። እቲ በረራ ፅባሕ እውን ከምዝህልው ስሞም ክግለፅ ዘይደለዩ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ገሊፆም። በረራ ምጅማሩ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ልዑል ምትዕንቓፍ ስራሕቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምፍታሕ ሓጋዚ እዩ ድማ ኢሎም። ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ህወሓትን ወሃብ ቃል እቲ ውድብን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ማዕከን ዜና እቲ ክልል ቀሪቦም ንእዋናዊ ኩነታት ኣድሂቡ ኣብ ዝሃቡዎ ርእይቶ ናብ ከተማ መቐለ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣትዉ ፍቓድ ብምምሕዳሮም ከም ዝተዋሃበ ገሊፆም። እቶም ናይ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ከተማ መቐለ መዕረፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ እንትበፅሑ ከምዝርኣዮም ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ መቐለፀብፂቡ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ደብዳብ ነፈርቲ ስዒቡ በረራ ነፈርቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ተቛሪፁ ምንባሩ ይዝከር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%88%AB-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%A8%E1%8B%B2%E1%8A%A4%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9\/6326222.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣቢይ ንሰራዊት ምክልኻል ኣብ ግንባር ኮይኑ ንምምራሕ ናብ`ቲ ግንባር ምውፋሩ ኣፍሊጡ","content":"ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ ምሸት \"ኢትዮጵያ ዝብል ናይ ናጽነት ሽም ንምሕላው ናይ ታሪኽ ሓደራ ኣለኒ\" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝወጸ ጽሑፍ \"ካብ ሎሚ ንድሓር ንሓይልታት ምክልኻል ኣብ ግንባር ከይደ ንምምራሕ ናብ ዓውደ ኩናት ከይደ እዘምት ኣለኹ\"ኢሎም። ካልኦት ኣሰሮም ተኸቲሎም ክስዕብዎም`ውን ጸዊዖም።ንሶም ኣብ መልእኽቶም \"ናይ መወዳእቲ ግጥም ንገብረሉ ግዜ ሕጂ`ዩ\" ኢሎም። ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ገዛኢ ፓርቲ ብልጽግና ብወገኑ፣ ሰራዊት ምክልኻልን ሓይልታት ጸጥታን ናብ`ቲ 'ፍሉይ' ዝበልዎ ስጉምቲ ይኣትዉ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ`ሎ። ኣባል ፈጻሚ ኮሚቴ ብልጽግና ፓርቲ ዶ\/ር ኣለሙ ስሜ \"ካብ መራሒ ፓርትና ጀሚሩ ናብ ግንባር ከይድና ንባዕልና መስዋእቲ ኮይና ንኢትዮጵያ ንክነድሕን ወሲና ኣለና\" ኢሉ። ሚንስተር ምክልኻል ዶ\/ር ኣብርሃም በላይ ብወገኑ፡ \"ሓይልታት ምክልኻልን ካልኦት ኣካላት ጸጥታን ተወሃሂዶም ናብ ዝተፈለየ ስጉምቲ ክኣትዉ`ዮም\" ኢሉ። ኣመሪካ ኮነት ሕቡራት ሃገራት፣ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ኣማራጺ መፍትሒ ከምዘይከውን ብምግላጽ፡ ኣብቲ ግጭት ዘለዉ ኩሎም ብዘይ ቅድመ ኩነት ናብ ዘተ ክቐርቡ ክጽውዑ እንተጸንሑ`ኳ ብጭቡጥ ግን ዝተራእየ ለወጢ የለን። ኣብተን ግጭት ዝካየደለን ዘሎ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ሰብኣዊ ሓገዝ ዝደልዩ ዘድልዮም ህዝቢ ሸሞንተ ሚልየን ምብጽሑ ናይ ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ ምውህሃድ ቅድሚ መዓልታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ`ሎ ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፣ ወሃብ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፣ ነቲ ብቐዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ዝተወስደ ስጕምቲ ብትዊተር ሓጪጮምሉ ኣለዉ። ነቲ ተበግሶ “ዕብዳንን ላግጺን” ክብሉ ዝሰየሙዎ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፣ ሓይልታቶም ክሳብ’ቲ ብማእከላይ መንግስቲ ተነቢሩ ዘሎ ዕጽዋ ዝለዓል ክቕጽሉ ምዃኖም ኣመልኪቶም። ኣብ ተመሳስሊ ናይ ትዊተር መልእኽቲ’ውን ምስ ካልኦት ሓይልታት ልፍንቲ ክቕጽሉ ምዃኖም ጠቒሶም። ብመሰረት ደንጉዩ ዝበጽሓና ዜና ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ጀፈሪ ፈልትማን ምስ መራሕቲ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ከም ዝተራኸበ ተፈሊጡ ኣሎ። ፈልትማን ሎሚ’ውን ንፖለቲካዊ ዘተን ምዝዛም እቲ ኲናትን ቦታ ከም ዘሎ ድሕሪ’ቲ ርክብ ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ ሓቢሮም ኣለው። ነቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ዘተ ጻዕርታት ግን ኣብ ባይታ ዘሎ ወተሃደራዊ ግጥማት ከይዕብልሎ ስክፍታኦም ገሊጾም ኣለዉ። “ወተሃደራዊ መፍትሒ ኣይክህሉን’ዩ” ዝበሉ ፈልትማን፡ \"ንዲፕሎማሲያዊ ዘተ ግዜ ክንቀትል የብልናን” ክብሉ ተማሕጺኖም። ፌልትማን ወሲኾም ኩሎም ወገናት ካብ ወትሃደራዊ ምፍጣጥ ክምለሱ ሓያል ስዳሮ ተኸይዱ ኣሎ፣ እንተኾነ፣ እቲ ኣስጊኡና ዘሎ፣ እቲ ዘየተኣማምን ምዕባለ፣ በቲ ኣብ ባይታ ይምዕብል ዘሎ ሓደገኛ ኩነታት ክቅልበስን ንናይ ኢትዮጵያ ህድኣትን ሓድነትን ክጽልዎ ከምዝኽእልን ኣመልኪቶም ። ኣብ ዋሽንግተን መግለጺ ዝሃቡ ፌልትማን \"ክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት ሚስጢራዊ ልዝብ ሰላም ንምክያድ ድልየቶም ምዃኑን ኣመሪካ ገሊጾምላ ከምዝነበሩ’ውን\" ሓቢሮም። ኣብ’ዚ ናይ ቀረባ መገሸኦም ምስ ቀ፨ሚ ኣብዪ ከምዝተራኸቡ ዝጠቅሱ ፌልትማን፣ እቶም መራሒ ኢትዮጵያ፣ ንወትሃደራዊ ሸተኦም ከዕውት እየ ዝብል ዓርሰ ምትእምማን ከምዝራኣዩሎም’ ጠቂሶም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6324901.html"} {"headline":"ኣመሪካ ዜጋታታ ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ ትጽውዕ","content":"ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ውግእ ክጋደድ እዩ ካብ ዝብል ስግኣት ዜጋታቱ ብህጹጽ ካብ’ታ ሃገር ንምውጻእ ይጓየይ ኣሎ። ትማሊ ሶኒይ መግለጺ ዝሃበ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ \"ኣመሪካዊያን ናይ ንግዲ በረራ ኣገልግሎት እናሃለወ ካብ’ታ ሃገር ክወጹ ኣለዎም\" ኢሉ ኣሎ። እቲ በዓል ስልጣን ቀንዲ መልእኽትና \"ኩነታት ክሳብ ዝሓምቅ ኣይትጸበዩ፣ ቅድሚ ምቅይያሩ ሎሚ ውጹ\" ዝብል እዩ ይብል ። ናይ ንግዲ በረራ እንተተቋሪጾም ኤምባሲ ኣመሪካ ንኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ኣመሪካዊያን ከሐግዝ ከምዘይኽእል’ውን እቲ መግለጺ ጠቂሱ ኣሎ። ሰራዊት ኣመሪካ ናብ ኢትዮጵያ ንምእታው ዝባሃል ውጥን ከምዘየለ’ውን እቲ መንነቱ ክጥቀስ ዘይደለየ ኣመሪካዊ በዓል ስልጣን ሓቢሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B3-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AD%E1%8B%88%E1%8C%B9-%E1%89%B5%E1%8C%BD%E1%8B%8D%E1%8B%95\/6324911.html"} {"headline":"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርኸቡ ማሕበረሰብ ዲፕሎማት ብዛዕባ ድሕነቶም ዝቕረብዎ ሕቶ መልሲ ምርኻቡ ተገሊጹ","content":"ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ዝኮኑ ማሕበረሰብ ዲፕሎማት ብዛዕባ ድሕነቶም ንምምሕዳር’ታ ከተማ ዝቕረብዎ ሕቶ መልሲ ከምዝተዋሃቦም ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ገሊጹ። ዲፕሎማት ኣፍሪቃ፣ ኤስያንን ፓሲፊክን ከምኡ'ውን ኣባላት ዲፕሎማስያዊ ማሕበረሰብ፣ ኣብ ልዕሊ ጉዳይ’ታ ሃገር መግለጺ ከምዝተዋሃቦም ዝመጸ ዜና ጠቂሱ። ነቲ መብርሂ ዝሃቡ፣ ምክትል ከንቲባ’ታ ከተማ ኣቶ ጃንጥራር ኣባይን ሓላፊ ቢሮ ጸጥታ ዶ\/ር ቀነኣ ያዴታን እዮም። ውግእ ሰሜን ኢትዮጵያ ድሕሪ ምስፍሑ መግለጺ ዘውጽኡ ኣመሪካን ገለ ሃገራትን ንዲፕሎማት ሓዊሱ፣ ዜጋታቶም ካብ ኢትዮጵያ ንምውጻእ ምንቅስቃስ ከምዝጀመሩ ዝዝከር እዩ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%B8%E1%89%A1-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%8B%B2%E1%8D%95%E1%88%8E%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%9B%E1%8B%95%E1%89%A3-%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%95%E1%88%A8%E1%89%A5%E1%8B%8E-%E1%88%95%E1%89%B6-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%BB%E1%89%A1-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6324936.html"} {"headline":"ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ ንኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ዝመደቦ 1.3 ቢልዮን ዶላር ፕሮግራም ይቕጽል ምህላው ተሓቢሩ","content":"ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣመሪካ (ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ)ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ዘኽእሎ ፕሮግራም 1.3 ቢልዮን ዶላር ይቅጽለሉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ናብ ዓፋር፣ ኣምሓራን ትግራይን ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገርን፣ ግብረ መልሲ ንኮቪድ 19ን ክታበትን፣ ወፍሪታት ኢንቨስትመንት ኣብ ዓውድታት ጥዕናን ትምህርትን፣ ከምኡ'ውን ውጥናት እግሪ ምትካል ድህረ ውግእ ይቅጽሉ ከምዘለው እቲ ትካል ገሊጹ። ካብ ኤምባሲ ኣመሪካ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ :ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፉት ከምዘሎን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ንምሕጋዝ ቅሩብ ከምዝኾነን’ውን ጠቂሱ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%A9-%E1%8A%A4%E1%88%B5-%E1%8A%A4-%E1%8A%A3%E1%8B%AD-%E1%8B%B2-%E1%8A%95%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8C%8B%E1%8B%9D-%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%8B%B0%E1%89%A6-1-3-%E1%89%A2%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8B%B6%E1%88%8B%E1%88%AD-%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%88%9D-%E1%8B%AD%E1%89%95%E1%8C%BD%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6324944.html"} {"headline":"ዑደት ብሊንከን ናብ ኣፍሪቃ ብመንጽር ተመራማሪ ኣህጉራዊ ጉዳያት","content":"ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ንብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዘጠቓለለ ዑደት ኣብ ዝገብረሉ ዘሎ እዋን፡ ነቲ ዑደት ኣመልኪቱ ትንተና ንኽህብ ንዶክተር ሚኪኤል ወልደማርያም ተወኪስናዮ ኔርና። ዶ\/ር ሚኪኤል ኣሶሴይት ፕሮፈሰር ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ዳይረክተር ማእከል ምርምር ኣፍሪቃ ኣብ ቦስተን ዩኒቨርስቲን’ዩ። ሕቶ፡ዑደት ሚኒስትር ኣንቶኒ ብሊንከን ናብ ኣፍሪቃ ክሳብ ክንደይ’ዩ ኣገዳሲ፧ እዚ ዑደት’ከ ምምሕዳር ባይደን ምስ ኣፍሪቃ ዘለዎ ጽምጾ ዝቕይር መሲሉ’ዶ ይስመዓካ፧ መልሲ፡ እቲ ዑደት ብብዙሕ መልክዓቱ ኣገዳሲ’ዩ። ክሳብ ሕጂ ምምሕዳር ባይደን ዝለኣኾ ዝለዓለ ፖለቲካዊ መዝነት’ዩ። እዚ ከኣ ምምሕዳር ባይደን ምስ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብዓቢኡ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ክህሉዎ ዝደልዮ ዝምድና ዘርኢ’ዩ። ስለዚ ከኣ ብተበግሶን ክህሉዎ ዝኽእል ተራን ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። ጸሓፊ ብሊንከን ናብታ ኣህጉር ዝጓዓዘሉ ዘሎ እዋን ድማ፡ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ሓያሎ፡ ኣመሪካ ክትምልሶም እትደሊ ጉዳያት ተንጠልጢሎም ኣብ ዘለዉሉ ግዜ’ዩ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሕልፊ ድማ ሱዳን ዘሎ ቅውላዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናትን ካብቶም ቀዳምነት ተዋሂቡዎ ዘለዉ ጉዳያት’ዮም። ካልእ ኣብ ዞባ ሳሕል ኣፍሪቃ ዝርአ ዘሎ ስእነት ጸጥታ’ውን ካልእ መዘራረቢ ኣርእስቲ’ዩ። ስለዚ ዑደት ብሊንከን፡ ኣብታ ኣህጉር፡ ኣመሪካ ብቐረባ ክትከታተሎም ዘገድሱዋ ወሰንቲ ፍጻመታት ኣብ ዘሎ ግዜ’ዩ ዝካየድ ዘሎ። እዚ ዑደት ኣብ ለውጢ ፖሊሲ ምምሕዳር ባይደን ተራ ኣለዎ’ዶ ትብል ክምለስ። ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ እንተ ርኢናዮ፡ እቶም ቀዳምነታት ሕጂ’ውን ተመሳሳልቲ’ዮም። ንሳቶም ከኣ ምስ ቻይናን ራሻን ውድድር፡ ኣንጻር ግብረ-ሽበራ ዝግበር ወፍሪን ብሰፍሐ ርግኣትን ምስፋን ናጻን ደሞክራሲያዊን መርሓ ወዘተ። ኢዮም። እዚኣቶም እቶም ቀንዲ መዋቕር ኰይኖም ኣብ ኣተኵሮ ግን ፍልልይ ኣሎ። ምስ ቅድሚኡ ዝነበረ ምምሕዳር ብምውድዳር፡ ምስፋን ደሞክራሲያዊ ስርዓት ካብቶም ምምሕዳር ባይደን ዝለዓለ ቦታ ዥቦም ኣጀንዳ’ዮም። እቶም ዓለማዊ ውድድር ምስ ሓያልን ሃገራት ከም በዓል ራሻን ቻይናን ዘሎ ምጥምማት’ውን ብመጠኑ ኣንፈቱ ዝቕይር ዘሎ ይመስል። ምምሕዳር ባይደን ምስ ኣፍሪቃ ዝገብሮ ዘሎ ጽምጾ ኣብ ንግዳዊ ልውውጥ ጥራይ ዘተኰረ ኣይኰነን። ምስተን ካልኦት ሃገራት ከም በዓል ቻይና ክርአ እንከሎ፡ ንሳተን ኣብ ክልተኣዊ ንግዳዊ ልውውጥ ወይ ዕዳጋ ክርእያ እንከለዋ፡ ምምሕዳር ባይደን ግን ዝያዳ ኣብ ምስፍሕፋሕ ደሞክራሲ ዘተኰረ’ዩ። ዑደት ብሊኒከን ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ብቐንዱ ድማ ኬንያ’ኸ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሽግር ክፍትሕ ወይ ከቃልል ተኽእሎ ኣለዎ’ዶ ትብል፧ መልሲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ቅልውላው ክፈትሖ ወይ ድማ ዓቢ ጽልዋ ከምጽኣሉ ኢልካ ምግማት ዝከኣል ኣይመስለንን። እዚ ዑደት እቲ ግጭት ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ኣብ ዝዓርገሉ’ዩ ዝኸውን ዘሎ። ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኵነታት ኣብ ወሳኒ ነጥበ-መቐይሮ’ዩ በጺሑ ዘሎ። በቲ ሓደ ወገን ናይ ትግራይ ሓይልታት ወሰንቲ ከተማታት እናተቖጻጸሩ ንማእከል ገጾም ይደፍኡ ኣለዉ። እዚ ገስጋስ’ዚ ንገለ ወገን ንፖለቲካዊ ፍታሕ ዝደፍእ ክርእዩዎ ይኽእሉ ይዀኑ። እቲ ዝመጽእ ሕቶ ግን መወዳእታ ዕላማ ናይ ክልቲኦም ወገናት እንታይ’ዩ ዝብል’ዩ። ፖለቲካዊ ፍታሕ ንኽመጽእ ንጻረ ናይቲ መወዳእታ ክብጻሕ ዝድለ ዕላማ የድሊ። ንነዊሕ እዋን ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘተ ድሉው ዘይምዃኑ’ዩ ከመልክት ጸኒሑ። ኣብ ባይታ ዘሎ ገስጋስ ምናልባት ንዘተን ፖለቲካው ፍታሕን ክመርሕ ዝኽእል ይኸውን። እቲ ቀንዲ ንማሕብረሰብ ዓለም ዓቢ ሻቕሎት ዝፈጥር ግን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ኣዝዩ ገዲዱ ምህላዉ’ዩ። እዚ ድማ በበይኖም ፖለቲካውያን ውድባት ክደፍኡ ምስ ዝጅምሩ ኢትዮጵያ ንኽትበታተን ዓቢ ተኽእሎ ስለ ዘሎ፡ እዚ ንማሕብረሰብ ዓለም ኣሻቓሊ’ዩ። ስለዚ እምበኣር’ዩ ዑደት ብሊንከን ኣብዚ ወሳኒ እዋን ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝገብሮ። ብሓደ ወገን ንፖለቲካዊ ዘተን ነባሪ ፍታሕን ተኽእሎ ዘሎ ይመስል፡ በቲ ካልእ ድማ እቲ ኵነታት ፈጺሙ ግዜ ዘይህብ ምዃኑ’ዩ። ሕጂ ሓደ መፍትሒ እንተ ዘይተረኺቡ፡ እቲ ኣብ ባይታ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ግጥማት ናብ ዝገደደ ሕንፍሽፍሽ ክመርሕ ይኽእል’ዩ። ሕቶ: ተራ ካልኦት ሓያላን ተወዳደርቲ ሃገራት ከም ቻይናን ራሻን’ከ ኣብዚ መዳይ ከመይ ትግምግሞ፧ ዑደት ብሊንከን ነዚ ፖለቲካዊ ምትፍናን ዓበይቲ ሃገራት’ውን ኣየናይ ሓይሊ ኣብ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ኢድ ከም ዘለዎ ንምርኣይ’ዶ ይመስል፧ መልሲ፡ እወ። ልክዕ’ዩ፡ እቲ ጆኦ-ፖለቲካዊ ኵርናዕ ኣብዚ ኣገዳሲ’ዩ። ኣመሪካ ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ድምዶ ከመይ ክትገብሮ ከም እትደሊ’ውን ንሞስኮን በይኒጅግን ዘገድሰን’ዩ። ኣብ መንጎ ምምሕዳር ባይደንን ትራምፕን ግን ናይ ኣተሓሕዛ ፍልልይ ኣሎ። ምምሕዳር ባይደን ኣብ ክልተኣዊ ርክብ ዝተመርኰሰ ዝምድና ይደሊ ከም ዘሎ’ዩ ዘመልክት። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምስ ቻይናን ራሻን ትወዳደር ከም ዘላ ርዱእ ደኣ ይዅን እምበር፡ ንሃገራት ኣፍሪቃ ግን “ሓደና ምረጹ” ዘስምዕ ጸቕጢ ትገብር የላን። እዚ ብውሑዱ ካብቲ ዝዝረብን ምምሕዳር ባይደን ዝሰዶ ዘሎ መልእኽቲን’ዩ። ስለዚ እምበኣር ዑደት ብሊንከን ንኣፍሪቃ ነዚ ዓለማዊ ውድድር መልእኽቲ ዝህብ ደኣ ይዅን እምበር፡ ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ምምሕዳር ትራምፕ ተወዳዲሩ ግን ክሳብ ክንድቲ ናይ ምውድዳር መንፈስ ዘለዎ መሲሉ ኣይስመዓንን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%8A%E1%8A%95%E1%8A%A8%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%89%A5%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%BD%E1%88%AD-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%9B%E1%88%AA-%E1%8A%A3%E1%88%85%E1%8C%89%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5\/6323577.html"} {"headline":"'ምትእትታው ኣመሪካ' ንዝበልዎ ብምቕዋም ዝተኻየደ ሰልፊ ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያዊያንን","content":"ትማሊ ሰንበት ኣብ ልዕሊ 20 ከተማታት ዓለም፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን \"ምትእትታው ኣመሪካ\" ዝበልዎ ዝቃወም ሰልፍታት ከካይዱ ውዒሎም። ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣብ ኣፍደገ ቤተ-መንግስቲ ዋይት ሃዋስ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ትገብሮ`ላ ዝበልዎ ዘይግባእ ተጽዕኖ ደው ክተብል፡ ከምኡ ንሓደ ወገን ዘዳሉ ዝበልዎ መርገጺኣ ክትቅይር ዝጽውዕ`ዩ ኔሩ። ብዛዕባ`ዚ ክሲ ቅድሚ ሎሚ ዝተዛረበት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣመሪካ ሊንዳ ግሪንፊልድ፡ ብኹሎም ወገናት ዝፍጸሙ ናይ ሓይሊ ስጉምትታት ንኹንን ኢና፡ ህወሓት`ውን ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ክወጽእ ኣለዎ ብምባል ነቲ ኣመሪካ ተዳሉ`ያ ዝብል ክሲ ኣሉታ ሂባትሉ`ያ። ይኹን`ምበር ትማሊ ሰልፊ ዝወዓሉን ንድምጺ ኣመሪካ ዝተዛረቡ ግን፡ በቲ ኣመሪካ ትኽተሎ ዘላ ሕጉሳት ኣይኮኑን።ሓንቲ ካብ መንጎ`ቶም ሰልፈኛታት ሃና ኣማኑኤል \"ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሽግር መፍትሒኡ ኣብ ኢድ ኢትዮጵያውያን ጥራሕ`ዩ' ትብል ። ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ኣመሪካ፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን 'ኖ ሞር' ማለት 'ዝሓለፈ ይኣክል' ዝብል መሪሕ ቃል ሒዞም`ዮም ድምጾም ከስምዑ ውዒሎም። ኣብ ከተማ ለንደን ብሪጣንያ፡ ካናዳ: እስራኤል: ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦት ብርክት ዝበላ ከተማታትን ተመሳሳሊ ሰልፍታት ተኻይዱ ኔሩ`ዩ። ብዛዕባ`ቲ ኣመሪካ ንህወሓት ተዳሉ`ያ ዝብል መልሲ ዝሃበ ፍሉይ ልኡኽ ምምሕዳር ኣመሪካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፈልትማን ብወገኑ ኣቐድም ኣቢሉ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ኔሩ። \"ሓደ ሓደ ነቐፍቲ ፖሊሲ ኣመሪካ፡ ንህወሓት ተዳልዉ ኢኹም ይብሉና`ዮም፡ እዚ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ`ዩ፡ ህወሓት ነቲ ኩናት ካብ ትግራይ ወጻኢ ምስፍሕፍሑ ብተደጋጋሚ ኾኒናዮ ኢና። ሕጂ`ውን ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ክወጽእ ነተሓሳስብ ኣለና\" ኢሉ። ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብሊንከን`ውን፡ ኣመሪካ፡ ኩሎም ተጻባእቲ ወገናት ብዘይ ቅድመ ኩነት ንምቁራጽ ተጻብኦታት ክሰማምዑ ትደፍእ ምህላዋ ገሊጹ ኔሩ`ዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8A%A5%E1%89%B5%E1%89%B3%E1%8B%8D-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%8D%E1%8B%8E-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%89%95%E1%8B%8B%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B0-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95%E1%8A%95\/6323179.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ ብኩነታት እቶም ካብ ግብጺ ዝተጠረዙ ኤርትራዊያን ከምዘሻቀሎ ገሊጹ","content":"ግብጺ ንዓለምለኸ ሕጊ ጥሒሳ፣ ንሸውዓተ ሓተቲ ዕቁባ ኤርትራዊያን ምጥራዛ፣ ከምዘሻቀሎም ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኪኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ገሊጾም። ናይ’ቶም ኤርትራዊያን ካብ ግብጺ ምጥራዝ፣ ናብ ኣስገዳድ ምስዋር፣ መግረፍቲን ሕማቅ ኣተሓሕዛን ከቃልዖም ከምዝኽእል’ውን ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ኪኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ኤርትራ ዝሃደሙን ተገዲዶም ዝተመለሱን ሰባት \"ከሓድቲ’ ተባሂሎም ኤርትራ ኣብ ዝኣትውሉ ጊዜ ጀሚሩ ይእሰሩ፣ ይሕተቱ፣ ይግረፉ፣ ካብኡ ዝሰገረ ድማ ኣብ ዝቅጽዕሉ ስፍራ ይታሓዙን ይስወሩን\" ይብሉ ። እቶም ካብ ግብጺ ዝተጠረዙ ሸውዓተ ኤርትራዊያን ምስ ካልኦት 18 ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት እዮም ነይሮም።ካብ ሱዳን ናብ ግብጺ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ሰጊሮም። ክሳብ ሎሚ ተኣሲሮም እዮም ጸኒሖም። ሕጋዊ ምኽሪ ንከይረኽቡ ተኸልኪሎም፣ ዕቁባ ከይሓቱ ተገይሩ፣ ምስ ሕ\/ሃ’ውን ኣይተራኸቡን። እቶም ኪኢላታት ሰብኣዊ መሰላት \"ግብጺ ኣብ ክንዲ ሓለዋ ትገብረሎም፣ ንክልተ ዓመት ሙሉእ ምእሳራን ብዘይድልየቶም ናብ ኤርትራ ኣገዲዳ ምምላሳን፣ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን እዩ፣ ናብ ኤርትራ ምስተመለሱ ድማ ንሓደጋ ክቓልዑ ይኽእሉ’ዮም\" ኢሎም። ካልኦት ሸሞንተ ኣባላት ስድራ ቤት’ውን ቅድሚ ኣስታት ሰለስተ ሰሙን ካብ ግብጺ ናብ ኤርትራ ከምዝተጠረዙ እቲ ዜና ይሕብር። እዞም ሰባት’ዚኦም ኣብ ኤርትራ ምስ ኣተው ብድሕሪኡ ኣይተራኣዩን። ኣብ ሕቡእ ቤት ማእሰርቲ ተታሒዞም ከምዝኽእሉ እዩ ዝእመን። ኪኢላታት ሕ\/ሃ \"ሰበ ስልጣን ኤርትራ፣ ብዛዕባ ሃለዋት’ቶም ካብ ግብጺ ዝተጠረዙ ሓበሬታ ንክህቡን ብቅልጡፍ ንክፈትሑዎምን ንጽውዕ\" ይብሉ ። እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ሰለስተ ኣባላት’ታ ስድራ ቤት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ግብጺ ተሪፎም ኣለው። ተገዲዶም ንኤርትራ ክጥረዙ ይኽእሉ’ዮም ዝብል ስግኣት’ውን ኣሎ። እታ ቤተ ሰብ ካብ ኤርትራ ዝሃደመት \"ንቆልዑ ሓዊሱ መናእሰይ ኣባላት’ታ ስድራ፣ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክምልመሉ እዮም\" ካብ ዝብል ስግኣት እዩ። ኣብ ኤርትራ ዝትግበር ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ንኣስገዳድ ስራሕ፣ መግረፍቲ፣ ዘይሰብኣዊን ሕማቅ ኣተሓሕዛን ዝሓወሰ ከበድቲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ጠንቂ ከምዝኾነ’ዩ ዝግለጸሉ። መግለጺ ሕ\/ሃ እቶም ዝተጠረዙ ኤርትራዊያን ኣብ ዓዶም ምስ ኣተው መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት እንተተፈጺምዎም፣ ግብጺ ተሓባባሪት ገበን ኮይና ኣላ ማለት እዩ ይብል ። ብመሰረት’ዚ፣ ግብጺ ነቶም ተሪፎም ዘለው ሰለስተ ሓተቲ ዕቁባ ኤርትራዊያን ንዓዶም ኣገዲዳ ከይትጥርዞም፣ ክወርዶም ንዝኽእል ሓደጋ ከይገምገመት ንኤርትራዊያን ትጥርዘሉ ፖሊሲ ደጊማ ክትምርምር እቶም ኪኢላታት ጸዊዖም። ኤርትራ ብወገና ተገዲዶም ንዝተጠረዙ ኤርትራዊያን መሰሎም ንክትሕልወሎም፣ ንዝኣሰረቶም ተጠሪዞም ዝተመለሱ ብምልኦም ንክትፈትሖም መጸዋዕታ ቀሪቡላ ኣሎ። እቶም ኪኢላታት፣ ናብ መንግስቲ ግብጺ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፣ ብኩነታት ተገዲዶም ዝተመለሱ ኤርትራዊያን ዝሓደሮም ሻቅሎት ገሊጾም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%89%A5%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A5%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%8C%BA-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%A0%E1%88%A8%E1%8B%99-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%BB%E1%89%80%E1%88%8E-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6323478.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ተነቢሩ ዝነበረ ሕላፍ ሰዓት ተላዒሉ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝተነብረ ሕላፍ ሰዓት ተላዒሉ። እቲ ሰዓት ሕላፍ ክልዓል ዝኸኣለ፡ ሕጂ ህዝቢ`ቲ ኸባቢ ብዛዕባ ጸጥታ ከባቢኡ ክፈልጥ ስለዝኸኣለን፡ ብዘይ ኣድላይነት ሕላፍ ሰዓት ንስግኣት ጸጥታ ክቆጻጸር ድልው ስለዝኾነን`ዩ ክብል ሓላፊ ሰላምን ጸጥታን`ቲ ኽልል ኣለማየሁ ባውዲ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጹ`ሎ። ከምኡ`ውን እቲ ሕላፍ ሰዓት ኣብ ማሕበረ-ቁጠባ ዘስዕቦ ጽልዋ ካልእ ምኽንያት`ቲ ምስራዝ ሕላፍ ሰዓት ምዃኑ እቲ ሓላፊ ይጠቅስ። ኣብ ክልል ኦሮሚያ ተነቢሩ ዝነበረ ሕላፍ ሰዓት`ውን ዝሓለፈ ሰሙን ምልዓሉ ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%89%B0%E1%8A%90%E1%89%A2%E1%88%A9-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%88%95%E1%88%8B%E1%8D%8D-%E1%88%B0%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%92%E1%88%89\/6323519.html"} {"headline":"ቃለ መሕትት ምስ ደራሲ ገጣሚን ጸሓፊን ሃይለ ቦኽረ","content":"ጽመት-እዝኒ ዘለዎ ሃይለ ቦኽረ ፡ 50 መጻሕፍቲ በጺሑ`ሎ። ዝተፈላለዩ መጸሓፍትን ግጥምታትን ከምኡ ናይ ትርጉም ስርሓት ኣፍሪዩ። ንኸምኡ ዝበሉ ብጾቱ ንምሕጋዝ `ውን ምስማዕ ዝሰ ኑ ዝምልከቱ ዛንታታት፡ ልበ-ወለዳትን ግጥምታትት ዝሓዛ ሸውዓተ መጸሓፍቲ ደሪሱ። ካልኦት መጻሕፍቱ ኣብ ባህሊ ታሪኽን ወግዕን ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ከምኡ`ውን ንኹሉ ሕብረተሰብ ይጠቅም ዝበሎ ሳይንሳዊ ኣስተምህሮታት`ውን የጠቓልል። ምስ ደራሲን ገጣምን ሃይለ ቦኽረ ዝተኻየደ ቃለ መሕተት ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%88%95%E1%89%B5%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%B2-%E1%8C%88%E1%8C%A3%E1%88%9A%E1%8A%95-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%8A%E1%8A%95-%E1%88%83%E1%8B%AD%E1%88%88-%E1%89%A6%E1%8A%BD%E1%88%A8\/6323017.html"} {"headline":"ዕላል ምስ ኤርትራዊ ገጣሚ ገብረሂወት ጸሃየ","content":"ሓደ ካብቶም ድሕሪ መድረክን ስቱዲዮን ኮይኑ ብርክት ዝበሉ ናይ ደርፊ ግጥምታት ( ህደማ)ብምድራስ ንዝተፈላለዩ መንእሰያትን ገዳይምን ኤርትራውያን ድምጻውያን ኣብ ምብርካት ዝረከብ መንእሰይ ገጣሚዩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንማሕበራዊ፡ፍቕራዊ።ሃገራዊ፡ፍልስፍናን ካልእን ዝገልጹ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ተነበብቲ ግጥምታትን ልዕሊ 400 ናይ ደርፊ ግጥምታት (ህደማ) ብምድራስ ኣብ ስነ-ግጥሚ ናይ ኤርትራ ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ዝገበረ ሓደ ካብቶም ብኣብነት ዝጥቀሱ መንእሰያት ገጠምቲ ‘ዩ፡ ገጣሚ ገብረሂወት ጸሃየ ። ገጣማይ ገ\/ሂወት ጸሃየ ተመኩሮ ስነ-ግጥማዊ ስርሓቱ ከካፍለና ናይ ሎሚ ጋሻ ቂሔ-ጽልሚ ኮይኑ’ሎ። መንእሰይ ገጣማይ ገ\/ሂወት ኣብ ግጥሚ ብኸመይ ከምዝኣተወን ንሓፈሻዊ ትርጉም ግጥን ብምብራህ ይጅምር። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%95%E1%88%8B%E1%88%8D-%E1%88%9A%E1%88%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8C%88%E1%8C%A3%E1%88%9A-%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%82%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%88%83%E1%8B%A8\/6320373.html"} {"headline":"ፍሉይ ልኡኽ ሕ\/ኣፍሪቃን ኣመሪካን ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምላሶም ተገሊጹ","content":"ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ኦሊሴጉን ኣባንሳንጆ 'ሓቂ ናይ ምንዳይ ስራሕ' ንዝበልዎ ፃዕሪ ሽምግልና ብምቕፃል ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምላሶም ገሊፆም። ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ቀርኒ ንኣፍሪካ ጀፍሪ ፌልትማን ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሶም ምስ ምኽትል ቀዳማይ ሚንስትርን ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢን ደመቀ መኮነን ምዝርራቦም ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሓቢሮም። ሎሚ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሃዋሳ ኣብ ዝተኸፈተ ማእኸል ዲፕሎማሲ ዝተረኸቡ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዘካየዱዎ ሓፂር ቃለ ምልልስ ኦባሳንጆ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝምልከት ምስ ዝተፈላለዩ ወገናት ዘካይዱዎ ዝርርብ ክቕፅል እዩ ኢሎም። ኦባሳንጆ ኣብ ምንዳይ ሰላም ዝሓዙዎ ፍታሕ ንቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ መብርሂ ክህቡ ትፅቢት ከምዘሎ ሚንስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ ኣሎ ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%8D%E1%88%89%E1%8B%AD-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%88%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6320185.html"} {"headline":"ኮሚሽን ፈደራል ፖሊስ ኣብ አዲስ አበባ ብሄር ተኮር ማእሰርቲ ይካየድ'ሎ ንዝብል ጸብጻባት ይነጽግ","content":"ኮሚሽን ፌደራል ፖሊስ ንምትግባር ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ስዒቡ ብሄር ዝጠመተ ማእሰርቲ ይካየድ ከምዘሎ ዝገልጹ ዝወጹ ዘለው ፀብፃባት ሓቂ ኣይኮነን ኢሉ። ሓላፊ ኮሚኒኬሽን እቲ ኮሚሽን ኣቶ ጄይላን ኣብዲ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል እቲ ኣዋጅ መሰረት ብምግባር ብዝተኻየደ ምርመራ ብዙሓት ሰባትን ኣፅዋርን \"ንተግባራት ጥፍኣት ዝሕግዙ’’ ኢሎም ዝፀውዕዎ ናውትን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም ተዛሪቦም። ኣማኻሪ ጉዳያት ጃምላዊ ህልቂት ንዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ዋሪሙ ንዴሪቱ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ዘውፅእኦ መግለፂ ናይቲ ውድብ ሰራሕተኛታት ሓዊሱ ተወለድቲ ትግራይ ይእሰሩ ኣለው ክብላ ብትሪ ከምዝኹንነኦ ገሊጸን ነይረን። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድምጺ ኣመሪካ ክፍሊ ትግርኛ ዘዘራረቦም ገለ ተወለድቲ ትግራይ ግን ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ብስፍሓት ጃምላዊ ማእሰርቲ ይፍፀም ከምዘሎ ገሊፆም ነይሮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%89%A5%E1%88%84%E1%88%AD-%E1%89%B0%E1%8A%AE%E1%88%AD-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%88%8E-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8C%B8%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8A%90%E1%8C%BD%E1%8C%8D-\/6320211.html"} {"headline":"'ናይ ውሕስነት ጸገም የሎን' በዓል-መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኢትዮጵያ","content":"በዓል-መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኢትዮጵያ: ኣመሪካ ብረቡዕ ንስእነት ውሕስነት ጸጥታ መዓርፎ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ዘውጽኦ መግለጺ ብትሪ ነጺግዎ። ኣብቲ ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝወጸ መግለጺ፡ ምስ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት እንኮላይ መዓርፎ ነፍርቲ ቦሌ ውሑስ ስለ ዘይከውን ኣመሪካውያን ኣብረርቲ ጥንቃቐ ክገብሩ ዝጽውዕ’ዩ ነይሩ። እቲ ናይ መጠንቀቕታ መግለጺ ምስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝቐርብ ዘሎ ኲናት፡ ነፍርቲ ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ብተተኰስቲ ክህረማ ተኽእሎ ከም ዘለወን ዘመልክት’ዩ። በዓል-መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “እቲ ዝወጸ መጠንቀቕታ ብመራኸቢ ብዙሃን ክጋዋሕ ንዝጸንሐ ሓበሬታ ምርኵስ ዝገብርን ካብ ሓቂ ዝረሓቐን’ዩ” ክብል ገሊጹዎ ኣሎ። እቲ መግለጺ ወሲኹ በዓል-መዚ ሲቪል ኣቭየሽን፡ “ዓለምለኸ ኣገባባት ድሕነት ብዘውጽኦ መምርሒ ንኽክተልን ድሕነት ተጓዓዝቲና ንምርግጋጽን ድማ ንሰርሕ ኣሎና፡” ክብል መሊሱ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%8D%E1%88%95%E1%88%B5%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%8C%88%E1%88%9D-%E1%8B%A8%E1%88%8E%E1%8A%95-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%8B%9A-%E1%88%B2%E1%89%AA%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%AD%E1%8B%A8%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/6320232.html"} {"headline":"ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ሶላን ኮሊ ተዓዋቲ ሽልማት ሮሪ ፔክ ኾይኑ","content":"ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ሶላን ኮሊ ኣብ ሃገሩ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ይካየድ ንዘሎ ኲናት ብተንቀሳቓሲ ምስሊ (ቪድዮ) ብዝሃቦ ሽፋን ተዓዋቲ ሽልማት ሮሪ ፔክ ኾይኑ ። ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ አጃንስ ፍራንስ ፕረስ ዝሰርሕ ሶላን ኮሊ ነዚ ሽልማት ዝበቕዓ ኣብ ጨፍጫፍ ሰላማውያን ሰባት ዝጠመተ ዝሰርሖ ፀብፃብ እዩ ። ኣብቲ ሕርያ ዝነበሩ ዳያኑ “ እዚ ብዙሕ ሽፋን ዘይተዋህቦ ግጭት ኮይኑ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ፖለቲካዊ ሓቂ ዝነግር እዩ “ ክብሉ ተዛሪቦም ። ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ አጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብ ግጭት ክልል ትግራይ ካብ ዝነበሩ ነፃ ማዕከናት ዜና ሓደ እዩ ። ንሸውዓተ ዓመታት ኣብዚ ሞያ ዝፀንሐ ሶላንኮሊ ቅድሚ ሓደ ዓመት ብኣማኢት ዝቁቑፀሩ ሰላማውያን ሰባት ንዝተጨፍጨፉሉ መቃብራት ማይ ካድራ ዝሰኣለ እዩ ። ኣብቲ ኣብ ሑመራ ግዳያት ናይ ዝኾኑ ስድራ ቃለ መሕተት ምክያዱ'ውን አጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብ ዝለኣኾ ፀብፃብ ጠቂሱ ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B-%E1%88%B6%E1%88%8B%E1%8A%95-%E1%8A%AE%E1%88%8A-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%8B%E1%89%B2-%E1%88%BD%E1%88%8D%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%88%AE%E1%88%AA-%E1%8D%94%E1%8A%AD-%E1%8A%BE%E1%8B%AD%E1%8A%91\/6320300.html"} {"headline":"ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ 2 መዓልታት ምብጻሕ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዘካይዱ ተገሊጹ","content":"ፍሉይ ልዑኽ ኣመሪካ ንጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍርይ ፌልትማን፣ ካብ ሎሚ ሓሙስ ጀሚሮም ክሳብ ድሕሪ ጽባሕ ቐዳም ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዘኻይዱ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣፍሊጡ። ፍሉይ ልዑኽ ፌልትማን ምስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ምስ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት መሻርኽቲ ኣካላትን ተራኺቦም፣ ተጻብኦታትንን ውግእን ዝቋረጸሉ መስርሕ ከምዝዝትዩ እቲ ቤት ዕዮ ጠቂሱ። እቲ ሎሚ ዝተዘርገሐ መግለጺ \"ኣመሪካ: ንሰላማዊትን ምዕብልቲን ኢትዮጵያ ሎሚ ተገዳሲት እያ፣ ከምኡ'ውን ህይወት ኣድሕን ንዝኾነ ሰብኣዊ ቀረባት ናብ ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ንክባጻሕ ድልየታ ከምዝኾነ\" ይሕብር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%8D%E1%88%89%E1%8B%AD-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%95%E1%89%80%E1%88%AD%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%93%E1%8B%AD-2-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6318659.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተአወጀ ሰዓታት እቶ እቶ ምልዓሉ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ብዝተኣሳሰር ኣብ ክልል ኦሮምያ ይትግበር ዝጸንሐ ገደብ ሰዓት ሕላፍ ከምዝተላዕለ ዓቃቢ ሕጊ’ቲ ክልል ወ\/ሮ ኣዱኛ ኣሕመድ ኣፍሊጠን። ዋና ዓቃቢ ሕጊ ክልል ኦሮምያ ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ እቲ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተተግበረ ገደብ ኣብ ልዕሊ ምንቅስቃስ ዝተላዓለ፣ ኣብ ልዕሊ ቁጠባ’ታ ሃገር ኣሉታዊ ሳዕቤን ስለዘሕደረ እዩ ይብል ። እቲ ሓድሽ መምርሒ ኣብ’ቲ ኣዋጅ ዝተጠቀሱ መለለዪ መንነት ሒዝካ ምንቅስቃስ፣ ብረት ምምዝጋብ፣ ንፍተሻ ምትሕብባር፣ ንከባቢኻ ብንቅሓት ምሕላውን ካልኦትን ግና ክቅጽሉ እዮም ይብል ። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ \"ዝእሰሩ ሰባት ዝተሓዝሉ ኩነታት ከምዘተሓሳስቦ ከምዝገለጸ' ዝዝከር እዩ። ወ\/ሮ ኣዱኛ ብዛዕባ'ዚ \"ሰባት ክታሓዙ ከለው፣ ነኣሽቱ ጸገማት ከጋጥሙ ይኽእሉ እዮም፣ እንተኾነ ነዚ ጸገም’ዚ ንምፍታሕ ኣብ’ቲ ክልል ኣገባብ ተዘርጊሕሉ እዩ’ ምባለን ተሓቢሩ'ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%A0%E1%8B%88%E1%8C%80-%E1%88%B0%E1%8B%93%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A5%E1%89%B6-%E1%8A%A5%E1%89%B6-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8B%93%E1%88%89-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6318730.html"} {"headline":"አማኻሪት ንዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃ ኣብ ጉዳይ ጃምላዊ ህልቂት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዝሃብኦ መግለጺ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ፣ ንሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሓዊሱ፣ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ትግራይ እናሰፍሐ ይካየድ ዘሎ ምግላልን ጅምላዊ ማእሰርቲን ከምዘሻቀለን፣ ኣማኻሪት ንዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ጅምላዊ ህልቂት (ጄኖሳይድ) ኣሊስ ዋዪሪሙ ንዴሩቱ ገሊጸን። ንሰን እዚ ተግባር’ዚ፣ ብኣንጻር እቲ ዞባዊን ዓለምለኻዊን ትካላት ዝቃላሕ ዘሎ መጸዋዕታ ምቁራጽ ተጻብኦን መስርሕ ልዝብን ጥራሕ ኣይኮነን፣ እንታይ ዳኣ፣ ጠንቂ ኣብ’ቲ ዞባ ይምዕብል ዘሎ ሓያል ታሪኻዊ ሳዕቤን’ውን ኮይኑ ኣሎ ኢለን። ኣብ’ታ ሃገር የንቆልቁል ዘሎ ኩነታት፣ ከቢድ ከምዝኾነ፣ ኣብ መላእ እታ ሃገር ሰላማዊያን ሰባት ይቀተሉ ከምዘለውን ገበን ግፍዒ ናይ ምፍጻም ዕድል ከምዝህልዎ ኣጠንቂቀን። እቲ መግለጺ ሕቡራት ሃገራት ኩሎም ኣብ ውግእ ይሳተፉ ዘለው ሓይልታት፣ ግፍዒ ፈጺሞምን ይፍጽሙን ኣለው ይብል ። እታ ሃገር፣ እቲ ዞባን መላእ ዓለምን፣ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ይምዕብል ዘሎ ኩነታት ኢዱ ኣጣሚሩ ኮፍ እንተይሉ ዋግኡ ከቢድ ከምዝኸውን’ውን እቲ መግለጺ ጠቂሱ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%A0%E1%88%9B%E1%8A%BB%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%8A-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8C%83%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%95%E1%88%8D%E1%89%82%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/6318676.html"} {"headline":"ተሸላሚ ሻምፒዮና ብሽክለታ ዓለም ቢንያም ግርማይን ነባር ጋዜጠኛ ስፖርት ሳምሶን ሃይለን ኣብ ጉዳይ ደሴት ኪዳነ","content":"ጓል 21 ዓመት ፕሮፈሽናል ተቐዳዳሚት ብሽክለታ ደሴት ኪዳነ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ኣስመራ ውጽእ ኣብ ዝበለ ቦታ፡ ምስ ብጾታ ኣብ ልምምድ ከላ ብዘጋጠማ ሓደጋ ሂወታ ምሕላፉ ይዝከር። ንሎሚ ብዛዕባ ደሴትን ሓደጋታት ንምድሓን ብዛዕባ ክግበር ዝግብኦ ጥንቃቐን፡ ተወልደ ወ\/ገ ንተሸላሚ ሻምፒዮና ዓለም ቢንያም ግርማይን፡ ጋዜጠኛ ስፖርት ኮይኑ ኣብ ተለቪዥን ኤርትራ ነዊሕ ዝሰርሐን : ዋና ኣሰናዳኢ መርበብ ሓበረታ ሃገራዊ ኮሚቴ ኦሎምፒክስን; ሳምሶን ሃይለን ኣዘራሪቡ`ሎ፡- ዓለም-ለኻዊ ፈደረሽን ብሽክለታ(UCI) ብሕልፈት`ታ ማእከል ስሕበትና ኔራ ዝበላ ደሴት ኪዳነ ከምዝሓዘነ ክገልጽ ከሎ፡ ማእከል ብሽክለታ ዓለም ዝተባህለ ብወገኑ፡ ኣባል UCIን ኣባልናን ትዕንብብ ዝነበረት ደሴት ብሓደጋ ሙሟታ፡ ሕብረተሰብ ብሽክለታ ኣፍሪቃ ብፍላይ፡ ማሕበረሰብ ስፖርት ዓለም ድማ ብሓፈሽኡ ዓቢይ ክሳራ ወሪዱና`ዩ ብምባል- ብሰላም ክትዓርፍን- ንቤተሰባ ጽንዓትn ተመንዮም። ደሴት ኪዳነ ኣብ 2018 ክለተ ወርቂ መዳልያ ብምርካብ፡ ሻምፒዮና ደቂንስቶ ኣፍሪቃ ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ድማ ዘዕግብ ዓወታት እናመዝገበት ዝመጸት ምዃና ይፍለጥ`ዩ። ምስ ቢንያም ግርማይን ሳምሶን ሃይለን ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6317447.html"} {"headline":"ዘተ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ","content":"No media source currently available ኣብ ድምጺ ኣመሪካ ኣዳላዊት መደብ “ኢንካውንተር” ካሮል ካስቴል፡ ንጉዳይ ዓመት መሊኡ ዘሎ ኲናት ኢትዮጵያ ኣመልኪታ ዘተ ኣካዪዳ ነይራ። ዕዱማት ናይ ቅድም ኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያን ምክትል ጸሓፊ ጉዳያት ኣፍሪቃን ዝነበረ ቲቦር ናጅ ከምኡ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳድር ዳሕራይ ድማ ፍሉይ ልኡኽ ደቡብ ሱዳን ዝነበሩ ዶናልድ ቡዝ’ዮም። ሕቶ፤ ቀዳመይቲ ሕቶ ካሮል ንተሓጋግዚ ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ኣምባሳር ናጅ፡ ብዛዕባ ዘለዎ ገማግም ኢትዮጵያ፡ እሞ ድማ እታ ቀንዲ መሓዛ ኣመሪካን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተስፋ ከም ዘለዋ እትግለጽን ዝነበረ ኢትዮጵያ ናብዚ ክትበጽሕ ትኽእል ኢልካ ገሚትካ ኔርካ’ዶ? ዝብል’ዩ። ኣምባሳድር ናጅ፤ ኣይፋል፡ ከምኡ ዝብል ግምት ኣይነበረንን። ኣብ 2019 2020 ኣቢላ ኢትዮጵያ ኮኾብ ኣፍሪቃ’ያ ነይራ። ነቲ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ርግኣት ክትፈጥረሉ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ኢና ንምርኰስ ኔርና። እዚ ክብል ከለኹ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኣብ ግምት ኣእትየ’የ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን ኣዝዩ ዘሕዝን’ዩ። ብኣረኣእያይ እዚ ዝተኸየደ ኲናት ኣብ ታሪኽ ሓደ ካብቶም ፍጹም ክህሉዉ ዘይነብሮም ኲናት’ዩ ክብሎ እደፍር። ኣምባሳድር ቡዝ፡ ሕጂ ንርእዮ ዘሎና ታሪኽ ኢትዮጵያ ባዕሉ ክደጋገም እንከሎ’ዩ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ኢትዮጵያ ዘሕብንን ግሩምን ታሪኽ እሞ ከኣ ኣብ ትሕቲ ሓያላት መራሕቲ’ሞ መብዛሕትኦም ኣብ ኲናት ምስ ወሰናስን ግዝኣቶም ወይ ድማ ባዕሉ ኣብ ውሽጢ ማእከላይ ሓይሊ ዝፍጠር ውድቀት’ዩ። ስለዚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ንርእዮ ዘሎና ናይ ማእከል ሓይሊ ባዕሉ ክንህል እንከሎ’ዩ። ሃገሮም ከመይ ክትከውን ዝውስኑ ድማ እንኮ ኢትዮጵያውያን ጥራይ’ዮም። ናይ ብዙሓት ጎረባብቲ ኮኑ ኣፍሪቃውያን ተስፋ ወይ’ውን ማሕብረሰብ ዓለም ዘሎ ተስፋ ድማ እታ ሃገር ካብዚ ዘሎ ሽግር ብሰላም ክትሰጋገር’ዩ።\\n\\nሕቶ፤ ናብ ኣምባሳድር ናጅ ክምለስ። ኢትዮጵያ ብታሪኻ ሕብንቲ ሃገር’ያ። ዘይተገዝአት ሃገር ደኣ ትዅን እምበር፡ ሕጂ ግጭት ግን ብሄራት ንሓድሕድም ከም ትግራይ፡ ኦሮሚያን ኣምሓራን ወጥሪ ንርኢ ኣሎና። እዚ ካብ ምንታይ’ዩ ትብል? ንስኻ ኣብኡ እንከለኻ’ኸ ከምዚ ዝመስል ናይ ብሄር ምትፍናን ነይሩ ዲዩ?\\n\\nኣምባሳድር ናጅ፤ ከምቲ ኣብ ብዙሕ እዋን ዝጠቐሶ፡ ኢትዮጵያ እታ እንኮ ብዘይ ናይ ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ዶባታ ዝፈለየት ሃገር ኣብ ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ’ያ። ልዕሊ ክልተ ሽሕ ዝኸደ ባህሊን ናይ ግዛኣት ታሪኽን ኣለዋ። እንተኾነ ኣብ ቀረባ ዓመታት ብዙሕ ውሽጣዊ ኲናት ርእያ’ያ። ኢህወደግ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ ፈደረላዊ ስርዓት ተኺላ። ብሄር-ተኰር ፈደራላዊ ስርዓታት ከም ስዊዘርላንድ ዝኣመሰላ ሃገራት ክስርሕ ይኽእል ይኸውን። ኣብኡ ምትፍናን ዘለዎም ህዝብታት ንሃብቲ እታ ሃገር ክማቓርሑ እንከለዉ’ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ እንተ ርኢናዮ ግን ሃብቲ ዘይኰነስ ድኽነት’ዮም ክካፈሉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጻኡ ድማ ናብቲ ናይ ቅድም ኣሃዳዊ ስርዓት ክመልሶ ፈቲኑ። ሕቶ፤ ኣምባሳድር ቡዝ ናባኻ ክመጽእ። እዚ ዝመስል ናይ ብሄራት ምትፍናን ከመይ’ዩ ኰይኑ ኢልካ ትግምት? ካብዚ ዘሎ’ኸ ብኸመይ ክውጻእ ይኽእል ትብል?\\n\\nኣምባሳድር ቡዝ፤ ኣምባሳድር ኰይና ኣብታ ሃገር ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ናብ ኵላተን ክልላት ክበጽሕ ዕድል ረኺበ ነይረ። ብዙሕነት ዘለዋ ሃገር’ያ። ኣብ ቀረባ እዋን ንርእዮ ዘሎና ግን መራሕቲ ነቲ ብሄራዊ ምትፍናን ናይ ውልቆም ድጋፍ ንምርካብን ህዝቢ ንምኽሳብን የናኽሱዎ ምህላዎም’ዮ። ንጸገማት ኢትዮጵያ ኣጋዲዱ ዘሎ ከኣ እዚ’ዩ። ኢትዮጵያ ዓባያን ብዙሕነት ዘለዋ ሃገርን ከም ምዃና መጠን፡ መለስ ዜናዊ ናይቲ ፈደራላውነት ሓሳብ ከምጽእ እንከሎ ነቲ ብዙሓነት ኣብ ግምት ብምእታው’ዩ። ፍልልይካ ኣሚንካ ሓደ ሃገር ንምምስራ’ዩ ነይሩ እቲ ሓሳብ። ከምቲ ቲቦር ዝበሎ ግን እዚ ኣይሰርሐን። ኣብ ክንድኡ እኳ ደኣ ብሄራዊ ምትፍናን ፈጢሩ። ስለዚ ሕጂ ንኢትዮጵያ ዘድልዮም ንፍልልያቶም ኣኽቢሩ ብሓደ ከንብሮም ዝኽእል ኣገባብ መርሓ ምንዳይ’ዩ። ሕቶ፤ ናብ ኣምባሳድር ናጅ’የ። ናብ ሕጂ ንምጻእ። ህወሓትን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ናብ ኣዲስ-ኣበባ ክኣትዉ ቀሪቦም ኣለዉ። ኣህጉራዊ ማሕብረሰብ ዓለም ድማ ንምቍራጽ ተጻብኦታት ይጽውዕ ኣሎ። እቲ ምትፍናን ግን ገና ይቕጽል ኣሎ። ክልተ ወገናት ድማ ንሰላም ክዝትዩ ድሉዋት ኣይመስሉን። ኣብ ኣፈፌት ፍጹም ኲናት ሓድሕድ ኣሎና’ዶ ትብል? ኣምባሳድር ናጅ፤ ኣይመስለንን። ታሪኽ ኢትዮጵያ እንተ ርኢናዮ ከምዚ ዝምመስል ተርእዮታት ተደጋጋሚ ግዜ ኣጓኒፉ’ዩ። ከምቲ ዶናልንድ ቡዝ ዝጠቐሶ፡ ኣብ ኣፍደገ ኣዲስ-ኣበባ ኣለዉ ኣይብልን። ሕጂ ርሑቕ’ዮም ዘለዉ። ብቐንዱ ግን ሓይልታት ትግራይ ንኣዲስ-ኣበባ ክቆጻጸሩ መደብ ኣለዎም’ድዩ’ውን ንባዕሉ ካልእ ሕቶ’ዩ።\\n\\nእቲ ካልእ ኣርእስቲ ድማ እቲ ዝብሃል ዘሎ ልፍንታዊ ግንባር’ዩ። ናይ ማዕረ ልፍንቲ ኣይኰነን። ከም ዝመስልኒ እዚ ናይ ህወሓትን ከምቲ ቀደም ንስርዓት መንግስቱ ክኣልዩ እንከለዉ ዘመጽኡዎም በብይኖም ተቓወምቲ እዮም። ከም ዝመስለኒ ግን እዚ ኣብ ልዕሊ ኣዲስ-ኣበብ ጸቕጢ ንምፍጣር ሓደ ሜላ ክኸውን ይኽእል። ነቶም ሓያላት ሃገራት ከኣ ከም መጠንቀቕታን መዋገዪን ክሰርሕ ይኽእል’ዩ። ሕቶ፤ ኣምባሳድር ቡዝ’ከ ከምኡ ድዩ ኣረኣእያኻ? እዚ ልፍንቲ ንዂናት ዘይኰነስ ንኣዲስ ኣበባ ብምጽጋዕ ጸቕጢ ንምፍጣር’ዩ ኢልካ’ዶ ትኣምን?\\n\\nኣምባሳድር ቡዝ፤ ምስ ርእይቶ ቲቦር እሰማምዕ’የ። ህወሓት ንኣዲስ ኣበባ ንምቍጽጻር ይዳለዉ’ለዉ ዝብል እምነት የብለይን። እዚ ከምቲ ንደርግ ከውድቑዎ እንከለዉ ብዘይ ኲናት ንኣዲስ ኣበባ ዝሓዙዋ ኣይመስለንን። ደርግ ኣዝዩ ተጸሊኡ ስለ ዝነበረ ብሓፈሻ ካልእ ሓይሊ ሰብ ብጽቡቕ’ዩ ተቐቢሉዎ።\\n\\nሕጂ ከምኡ ዘይምዃኑ ግን ንባዕላቶም’ውን ተረዲኡዎም ኣሎ። ስለዚ ከምቲ መንግስቲ ኣፍደገታት ዓጽዩ ቀረባት ዝኸልኦም፡ ንሳቶም’ውን መገዲ ጂቡቲ ንምዕጻው ዝዓለሙ ይመስሉ። ኵሉ ቁጠባ እታ ሃገር ብመስመር ጁቡቲ ስለ ዝመጽእ ንሳ እታ ወሳኒት’ያ። ሕቶ፤ ሓያሎ ልኡኻት ከምእኒ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳድር ፈልትማን፡ ከምኡ’ውን ፕረሲደንት ኦሊሰጎን ኦባሳንጆን ማርቲን ግሪፍስን ናብቲ ቦታ ክበጽሑን ከቀራረቡ ክፍትኑን ርኢና ኣሎና። ዛጊት እንታይ ውጽኢት ኣለዎ?\\n\\nኣምባሳድር ናጅ፤ ከምቲ ቡዝ ኣቐዲሙ ዝበሎ፡ እቲ ፍታሕ ካብ ውሽጢ’ዩ ክመጽእ ዘለዎ። ዋላ’ኳ ልዕሊ 100 ዝበጽሑ ኣዝዮም ምኵራት ልኡኻትን ሸምገልቲን ክህልዉና ይኽእሉ’ዮም። ክሳብ ሕጂ ብምዕራብ ዝቐርብ ዘሎ ጸቕጢ እቲ ዝድለ ውጽኢት ኣይሃበን። ዳርጋ ኵላተን ሃገራት ኣብ ተመሳሳሊ ርእይቶ ደኣ ይሃሉዋ እምበር፡ ገና ካልኦት ዘይተሓወሳ ግን ኣለዋ። ንኣብነት ብፕረሲደንት ኦባሳንጆ ዝግበር ዘሎ ፈተነታት ባርኾት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣመሪካ፡ ቻይናን ሓንቲ ካብ ሃገራት ወሽመጥ ከም ቱርኪ እንተ ዝውሰኾ ዓቢ ውጽኢት መምጽአ። ጉዳይ ቻይና ኣዝዩ ወሳኒ’ዩ። ሕጂ ግን ስቕ ኢሎም’ዮም ዘለዉ። ካልእ ካብቲ ዘተ በዂሩ ዘሎ ድማ ናይ ህዝቢ ርክባት’ዩ። ካልኦት ከም በዓል ቱርኪ ዝመስላ ሃገራት’ውን። እዚ ዝመስል ሓባራዊ ርድኢት እንተ ዝንበር እቲ ኲናት ሎሚ ምተፈትሐ። ሕቶ፤ ጽቡቕ መልሲ’ዩ። ኣምባሳድር ቡዝ ናባኻ ክምለስ። ብዛዕባ’ቶም ብዙሓት ንምሽምጋል ዝፍትኑ ዘለዉ’ኸ እንታይ ትብል? ንስኻ’ኸ ዘድሊ ውጽኢት ኣየምጽኡን’ዮም ዝብል እምነት ድዩ ዘለካ? ከምዚ ጸሓፊ ናጅ ዝበሎ ምናልባት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ቻይናን ምናልባት’ውን በዓል ቱርኪን ማእከላይ ምብራቕን ዘሳተፈ ልፍንቲ ክኸውን ኣለዎ ዲኻ ትብል? ብሕልፊ ድማ ምትእትታው ሃገራት ኢማራት ዓረብ ነዚ ግጭት ኣብ ምግፋሕን ምጽባብን ክህሉዎ ብዛዕባ ዝኽእል ተራ እንታይ ትብል? ቡዝ፤ ምስ ሓሳብ ቲቦር እሰማምዕ’የ። ብፍሉይ ልኡኽና ጀፈሪ ፈልትማን ጽቡቕ ስራሕ’ዩ ተሰሪሑ። ፕረሲደንት ኦባሳንጆ ቅድም ክብል ዝሰርሖም ጽቡቓት ስራሓት’ውን እፍልጦም’የ። እዚ ግን ንኢትዮጵያ ንምእማኖም ኣኻሊ ኣይመስለንን። ምናልባት ህዝቢ ኢትዮጵያ ክሳብ ክንደይ ኵሩዓትን ናጻን ምዃኖምን ንናይ ደገ ምኽሪ ብቐረባ ዝቕበሉ ዘይምዃኖምን ምዝኽኻር ኣድላዪ ይመስለኒ። ሓንሳብ እንተ ኣልዒሎም ዝምለሱ ኣይኰኑን። ስለዚ ካብ ምዝራብ ንላዕሊ ካልእ ከድልየና’ዩ። ሓደ ዝለመድናዮ ኣገባብ እንተ ዘይሰሚዖም እገዳ ንገብረሎም ዝብል’ዩ። ብውልቂ እገዳ ክንገብር’ውን ፈተነታት ጌርና ኢና። ናይ ውልቀሰባት ሃብቲ ወይ ድማ ናይ ጕዕዞ እገዳ ምግባር ግን ንመራሕቲ ኢትዮጵያ ሓሳባቶም ክቕይሮም ዝኽእል ኣይመስለንን። ካልእ’ውን ስምምዕ ኣጎዋ ስሒብናዮ ኣሎና። እዚኣቶም ምልክታት ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም። ኣብ ተመኵሮይ ከም ዝረኣኹዎ ግን ልዕሊ ሓለፋታት ምምላስ ምኽልካልን ምሕዳግን ክቐልል ይኽእል’ዩ። ዳሕራይ ናብ ውሑስ መገዲ ክትጓዓዝ ምስ ደለየት ከኣ ኢትዮጵያ ሓገዝና ከድልያ’ዩ። ናይ ሕጂ ዘድሊ ፖለቲካዊ መፍትሒ እንድዩ፡ ንሱ ምስ ገበሩ ድማ ቀልጢፎም ናብ ንቡር ዝምለሱሉ እዋን ክህሉ ተስፋ እገብር።\\n\\nካልእ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ክንዛረበሉ ዘሎና ናይ ኤርትራ’ዩ። ሓደ ካብቲ ነጥበ-መቐይሮ ዝዀነ ፍጻመ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ትግራይ መጥቃዕቲ ምስ ገጠሞ መንግስቲ ዝገበሮ ግብረ-መልሲ’ዩ። እዚ ንኤርትራ ኣካል’ቲ ኲናት ከም እትኸውን ገይሩ።\\n\\nሓቂ ንምዝራብ ከኣ ኤርትራ ብሓንቲ እምኒ ክልተ ዑፍ ትሃርም ኣላ። ፈለማ ምስ መቀናቕንቶም መሪሕነት ትግራይ ዝነበሮም ቂም ሕነ ዝፈድዩሉ እዋን መጺኡዎም። ካልኣይ ከኣ ንኢትዮጵያ ኣዳኺሞም ንሳቶም ጸብለል ኢሎም ይወጹ ኣለዉ። ኤርትራ’ውን ብቐሊል ዝሰምዑ ኣይኰኑን። ፈጺሞም ዝዕጸፉ ኣይኰኑን። ኣብዚ ኲናት ኢትዮጵያ ኣዝዩ ወሳኒ ተራ ምጽዋቶም ግን ክንዝጋዕ የብሉን።\\n\\nሕቶ፤ ብዛዕባ ተራ ኤርትራ ንኽምለስ ንኣምባሳድር ናጅ ዕድል ክህቦ። ምቍራጽ ተጻብኦታት ከይግበር ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ኣሉታዊ ተራ ተጻዊታ ትብል? ምስ መሪሕነት ትግራይ ዝነበሮም ቅርሕንቲን ሕጂ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዘለዎም ዝምድናን ኣብ ግምት የእቲኻ። ኣባምሳድር ናጅ፤ ጽቡቕ ሕቶ’ዩ። ብዘይካ’ቲ ንግሆ ተንሲኡ እንታይ ፖሊሲ ከም ዝውስን ዝፈልጥ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ግን ካልእ ዝገመቶ ኣይነበረን። ምስቲ ዶናልድ ዝበሎ ምሉእ ብምሉእ እሰማምዕ’የ። ኲናት ኢትዮጵያ፡ ብዓይኒ ኤርትራ ኲናት ትግራይ ምስ ኤርትራ’ዩ ነይሩ። ሰራዊት ትግራይ ንሰሜናዊ እዚ ምስ ኣጥቅዑ ድማ ኢሳይያስ ጽቡቕ ዕድል ረኺቡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ንኽግልብጥ’ዩ ናብቲ ኲናት ኣትዩ። ስለዚ እቲ ምጅማር ኲናት ንኢሳያስ ሕነኡ ዝፈድየሉ ዓቢ ዕድል’ዩ ነይሩ። ስለዚ ከኣ’ዩ ቅድም ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣንጻር ሲቪላዊ ዕላማታትን ኣብኡ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዝዀነ። ሕቶ፤ ኣምባሳድር ቡዝ ናባኻ’የ። ነዚ ኣብ መንጎ ንመንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ክግልብጥ ዝጽዕር ዘሎ ህወሓትን ፕረሲደንት ኢሳያስን ዘሎ ምትፋንና ኣብ ግምት ኣእቲና፡ ነቲ ግጭት ኣብ ምፍታሕ ተራ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ወሳኒ ይኸውን? ተራ ካልኦት ጸለውቲ ሃገራት ከም ቻይና፡ ኣመሪካ፡ ሃገራት ኸሊጅን ቱርኪን’ከ እንታይ ክኸውን ይኽእል?\\n\\nቡዝ፤ ከም ዝመስለኒ እቲ ዓንኬልን እንተ ገፊሑ እቲ ጽልዋኡ’ውን ብማዕረ ክዓቢ ይኽእል’ዩ። እቲ ናይ ኤርትራ ጉዳይ ግን ሓደ ካብቲ ጽልዋ ክትገብረሉ ኣዝዩ ዘጸግም’ዩ። ኣብ ጉዳይ ኤርትራ፡ ምናልባት ኣበየናይ ወገን እገዳ ንገብር ኢልና ክንሓስብ ኢልና ንሓስብ እንተዄንና፡ ንኻልኦት ጸለውቲ ወገናት እንተ ጸንቢርና፡ ንኤርትራ ጸቕጢ ክንፈጥረላ ንኽእል ንኸውን። ሓቂ ንምዝራብ ግን ኣብኡ’ውን ለውጢ ከምጽእ ይኽእል’ዩ ዝብል ልዑል ተስፋ የብለይን። ሓደ ንጽልዋ ኤርትራ ክኣልዮ ዝኽእል ግን ኣሎ። ንሱ ድማ ኢትዮጵውያን ብሓደ ተጠርኒፎም ጉዳይ ሃገሮም ክፈትሑ ምስ ዝኽእሉ’ዩ። ብዙሕ ሰብ ብዛዕባ ምብጻሕ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ይዛረብ ኣሎ። እቲ ካልእ ግዜ ዘይህብ ፍጻመ ግን እቲ ብሄራዊ ኲናት ግዜ እናወሰደ ብዝኸደ፡ ቍስሊ ንምሕዋይን ንምዕራፉን ኣዝዩ ነዊሕ እዋን ክሓትት’ዩ። ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ምዕባለ እተርኢ ዝነበረት ሃገር’ያ። ኢትዮጵያውያን ከኣ ኣብ ክንዲ ኲናት ናብ ሰላማዊን ውሑስን ናብራ ክምለሱ’ዮም ዝደልዩ። ኣብ ክንዲ ንሓድሕዶም ዝዋግኡ ድማ ጸጋታቶም ከመይ ገይሮም ብሓባር ይሃንጹ ከውዕሉዎ ከድልዮም’ዩ። ሕቶ፤ ሕቶይ ንጸሓፊ ናጅ’ያ። ብዛዕባ’ቲ ናይ ለውጢ ሰብ ተባሂሉ ሽልማት ኖበል ዝወሰደ’ሞ ቀልጢፉ ናብ ወልቀ-መላኺ ዝተለወጠ ቀደማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ክሓተካ። ከም መራሒ መጠን ክሳብ ክንደይ’ዩ ወሳኒ ተራ ዘለዎ? ንዘተ ድሉይ ዘይምዃኑን ነዚ ኲናት ኣብ ምዕራፍ ወሳኒ ተራ ዘይምጽዋቱን’ከ?\\n\\nናጅ፤ ብዛዕባ ኣቢይ ጸኒሐ ክዛረብ’የ። እቲ ዶን ዝበሎ ሰብኣዊ ወገን ዓቢ ኣቓልቦ ዘድልዮ’ዩ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን ኣብ ደገ ዝቕመጡ ተወላዶ ኢትዮጵያ ነቲ ሰብኣዊ ተበጻሕነት ካብ ቀንዲ ኣርእስቲ ከም ዝወጽእ ገይሮሞን ኣዝዩ ኣሉታዊ ተራ ይጻወቱ ኣለዉን። ቍሩብ ንምውሳኽ ግን ብዘይካ ብዘይካ ናይ ኦብሳንጆ ልኡኽ፡ ግን ኤውሮጳዊ ሕብረት’ውን ተራ እንተ ዝህሉዎም ጽቡቕ ነይሩ። ንመራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ካልኦትን ዘሳተፈ ዘተ’ውን ጽቡቕ ውጽኢት ምሃለዎ። ናብ ኣቢይ ንምምላስ ግን ፈለማ ሽልማት ኖበል ምስ ወሰደ ኣዝየ ሕጉስ’የ ነይረ። ዳሕራይ ግን ፈጺሙ ኣንፈቱ ቀዪሩ። ሕቶ፤ ናይ መወዳእታ ቃል ክትህብ ኣምባሳድር ቡዝ ናባኻ’የ። ቡዝ፤ ኣብዛ ቲቦር ዝበላ ተራ ናይ ዲያስፖራ እሰማምዕ’የ። ዳርጋ መዓልታዊ ኣብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት እናመጹ ሰልፊ ከካይዱ ዓመት ገይሮም። እዚ ዓመት ሰልፊ ዝገበሩ ዝነበሩ ተጋሩ ኰይኖም ኣንጻር ኣቢይ’ዮም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ሓደ ሰልፊ ፈጢሩ፡ ኣሃዳዊ መንግስቲ ክመልስ ፈቲኑ። እዚ ግን ዘስርሕ ኣይመስልን። ስለዚ ከኣ’ዮም ኢትዮጵያውያን ሓቢሮም ብዛዕባ ሃገሮም ክዛተዩ ዘድልዮም። ማሕበረሰብ ዓለም’ውን ክሕግዞም","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ambassador-donald-booz-tibor-nagy-on-the-current-politics-of-ethiopia\/6317297.html"} {"headline":"'ሕውየት ሞናሊዛ' ምትእኽኻብ ገንዘብ ንግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ትግራይ","content":"ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝተደጸመ ጻታዊ ጥቅዓት ዝመበገሲኦም ኤርትራዊያን ‘ሕውየት ሞናሊዛ’ ‘Hope to the Sexual Victims in Tigray’ ዝብል መደብ ምትእኽኻብ ገንዘብ ጀሚሮም ኣለው። ሸቶና ይብሉ ኣተሓባበርቲ’ቲ ‘ጎ ፈንድ ሚ’ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ሓደ ሚእቲ ሽሕ ዶላር ኣኪብካ ነተን ግዳያት ጾታዊ ጥቅዓት ኮይነን ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ንምርካብ እዩ። ኣጋይሽና ኤርትራ ኣሜሪካዊያን ቴድሮስ ገረመስቀልን ዮርዳኖስ ገረመስቀልን ከምኡውን ኢትዮጵያ ኣሜሪካዊያን ተኽለብርሃን ገረዝጊሄርን ምልእተ ብርሃነን እዮም። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/hope-to-the-sexual-victims-in-tigray-monaliza\/6317226.html"} {"headline":"ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ንዜጋታቱ ካብ ኢትዮጵያ ቀልጢፎም ክወጹ ይጽውዕ ኣሎ","content":"ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ፡ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ገና ንግዳዊ በረራታት ክፉት እንከሎ ዜጋታት ቀልጢፎም ክወጹ ኣዘኻኺሩ። ከም መግለጺ እቲ ክፍሊ፡ ምስ በበይኖም መሻርኽቲ ኣካላት ይዛተዩ ምህላዎም የምልክት። ወሲኹ ድማ ጸጥታ ኣዲስ-ኣበባ ብመጠኑ ህዱእ ደኣ ይሃሉ`ምበር፡ እዚ ንገሊኣቶም ዜጋታት ንምጽናሕ ውሑስ ከመስሎም ይኽእል ይኸውን`ዩ ይብል። እንተዀነ እቲ ምሕንጽታ፡ “ብቕልጡፍ ውጽኡ፡” ዝብል’ዩ ኢሉ`ሎ። ኣስዒቡ ድማ፡ እቲ ኲናት እናበርትዐ ደኣ ይመጽእ ይሃሉ እምበር፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ምስ ኣስጋእነት እቲ ኲናት ዝዳረግ ምድላዋትን እኹል ሓበሬታን ይህብ ዘይምህላዉ እቲ በዓል ስልጣን ሚንስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ ጠቒሱ`ሎ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6317049.html"} {"headline":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ዝተኣሰሩ ሰባት ኩነታቶም ንምክትታል ሓበረታ ክእክብ ኣይክእልኩን ክብል ስኽፍትኡ ገሊጹ","content":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ምስ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ብዝትሓሓዝ ዝተኣሰሩ ሰባት ኩነታቶም ንምክትታል ብዘኽእል ደረጃ ሓበረታ ክእክብ ኣይክእልኩን ክብል ስኽፍትኡ ገሊጹ። እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝተፈላለዩ መደበራት ፖሊስ ተረኺቡ እኹል ሓበረታ ክረክብ ከምዘይክኣለ ድሕሪ ምግላጽ፡ ብተዛማዲ ዝሓሸ ሓበረታ ዝረኸበሉ ኣብ ቂርቆስ ክፍለ ከተማ ምዃኑን ኣብኡ ድማ 714 ሰባት ምእሳሮም ካብኦም እተን 124 ደቀንስትዮ ምዃነን ክፈልጥ ከምዝኽኣለ ሓቢሩ`ሎ። እቲ ዝካየድ ዘሎ ማእሰርቲ ብሄር መሰረት ዝገበረ እንተኾይኑ ነቲ ኮሚሽን ምላሽ ዝሃቡ ኣካላት ጸጥታ ኢትዮጵያ፡ \" ሰባት ዝተሓዙ ብብሄሮም ምኽንያት ዘይኮነስ፡ ብመሰረት`ቲ ህጹጽ ኣዋጅ ተጠርጢሮም ከም ዝኾኑን፡ እቶም ብባይቶ ወከልቲ ኣሸበርቲ ተባሂሎም ዝተመደቡ ውድባት ብሄር ተኮር ውድባት ምስ ምዃኖም፡ እቶም ዝተሓዙ`ውን ናይ ሓደ ብሄር ክመስሉ ከም ዝኽእሉ\" ምግልጾም እቲ ኮሚሽን ሓቢሩ`ሎ። ካብ መንጎ`ቶም ዝተሓዙ፡ ቁጽሪ ተወላዶ ትግራይ ልዑል ምዃኑ`ውን እቲ ኮሚሽን ገሊጹ`ሎ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራይ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ምእሳሮም`ውን እቲ ኮሚሽን ይግምት፡ ኣብ ከተማ ድረዳዋ`ውን ክሳብ 300 ዝበጽሑ ሰባት ምእሳሮም ገሊጹ`ሎ። እቲ ኮምሽን ብተወሳኺ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ማእሰርቲ ብመሰረት ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ብፍላይ ከኣ \" ጥብቂ ኣድላይነት፡ ዓቐናውነት ከምኡ`ውን ካብ ኣድልዎ ናጻ ምዃን ዝብሉ መርሆታት ሰብኣዊ መሰላት ብዘኽብር መልክዑ ይትግበር የለን ኢሉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6317040.html"} {"headline":"ኣብ ኬኒያ ዝርከቡ ኣንቶኒ ብሊንከን ቅልውላዋት ናይቲ ዞባ ክሃድእ ይደልዩ","content":"ናይ ኣሜሪካ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ብፖለቲካን ብነገድን ስምብራት ኣብ ዝወረዶም ማሕበረሰባት ዴሞክራሲ ንክዕቀብ ብምምሕፃን ናይ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪካ ዑደቶም ጀሚሮም። ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ቅልውላው ኣብ ዝዓረገሉ እዋን ሎማዕንቲ ረቡዕ ዑደቶም ብኬኒያ ጀሚሮም ኣለው።ምስ ናይ ኬኒያ ፕሬዝዳንት ኡሁሩ ኬኒያታን ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣንን ኣብ ዝተራኸብሉ ኬኒያ ኣብቲ ዞባ ኣብነታዊ ታራ ትፃወር ኣላ ኢሎም። ንመራሕቲ ስቪክ ማሕበራት ኣብ ዝሃቡዎ ሪኢቶ ኣብ ዙሪያ ዓለም የጋጥም ዘሎ ''ውድቀት ዴሚክራሲ'' ምቅላስ ኣገዳሲ እዩ ኢሎም። ኣሜሪካ እውን ካብዚ ብድሆዚ ነፃ ኣይኮነትን ዝበሉ ብሊንከን ናይ ኣሜሪካ ዴሚክራሲ ማዕረ ክንደይ ድኹም ክኸው ከምዝኽእል ሪአ እየ ኢሎም። ኬኒያ ንርእሳ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ብዝካየድ ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ ናይ ምርግጋእ ፈተና ይፅበያ ኣሎ። ብሊንከን እናገደደ ይኸይድ ዘሎ ግጭት ኢትዮጵያን ሱዳንን ንምፍታሕን ከም ኣብ ሶማሊያ ዝኣመሰላ እናዓበይ ይኸይድ ዘሎ ናዕብታት ንምግጣምን ናይ ኣሜሪካ ዲፕሎማሲያዊ ፃዕርታት ንምሕዳስ ድልየቶም እዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/blinken-in-kenya-seeks-to-cool-regional-crises\/6316808.html"} {"headline":"ድሕሪ ምእዋጅ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ብውሕዱ ሓደ ሽሕ ተወላዶ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ክብል ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ","content":"ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ፣ ብውሑድ ንሓደ ሽሕ ተጋሩ ድሕሪ ምእዋጅ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ከምዝኣሰሩ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ወሃቢት ቃል እቲ ቤት ጽሕፈት ሊዝ ትሮዝል ‘ምእሳር ተጋሩ ዝተፈጸመለን ከተማታት፣ ኣዲሳበባ፣ ጎንደር፣ ባህርዳርን ካልኦት ከተማታትን ከምዝኾና’ ጠቂሳ። ንሳ ሎሚ ሰሉስ አብ ዝሃበቶ መገለጺ ‘እቶም ተጋሩ ዝተኣሰሩ፣ ተደናገጽቲ ወይ ደገፍቲ ህወሓት እዮም ካብ ዝብል ከምዝኾነ’ውን’ ገሊጻ። ውግእ ናይ ኢትዮጵያ ንኣሻሓት ሰባት ቀቲሉ ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ቅልውላው ፈጢሩ ኣሎ። ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ምዕጻው መተሓላለፊ መገዲታት፣ ኣማኢት ኣሻሓት ሰባት ንጥምየት ተቃሊዖም ይርከቡ። ዓሰርተ ኢትዮጵያዊያን ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራትን አስታት 34 ኮንትራክተራት ዘወርቲ ማካይን ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ኣለው ትብል ትሮዝል። ንኣዋርሕ ዝቀጸለ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ምምሕዳር ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድን መራሕቲ ትግራይን ዝሓለፈ ሕዳር ናብ ቅሉዕ ውግእ ከምዝተሳገረ ዝዝከር እዩ። ሓይልታት ትግራይ ኣብዚ ቐረባ እዋን መጥቃዕቲ ብምፍናው ናብ ኣዲሳበባ ብምቕራብ ኣብ ልዕሊ ቀ\/ሚ ጸቅጢ ብምፍጣር ነቲ ንኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ተነቢሩን ንቀረባት መግቢ፣ መድሓኒትን ካልኦት ነገራትን ኣቋሪጹዎ ንዘሎ ዕጽዋ ንከልዕሉን ይደፍኡ ከምዘለው ኣሶሴትድ ፕረስ ዘዳለዎ ሪፖርት ጠቂሱ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6315798.html"} {"headline":"መጥቃዕቲ ቦምባ ኡጋንዳ ሰለስተ ሰባት ቀቲሉ","content":"እቲ ነተጉቲ ሎሚ ሰሉስ ንጉሆ ንመሳኹቲ ሰባቢሩ ኣብ ጽርግያታት ካምፓላ ንዝነበራ መኻይን ኣንዲዱ'ሎ። ክልተ ሬሳታት ኣብ ጥቃ ፓርላማ ኡጋንዳ ሓደ ኸኣ ኣብ ማእኸላይ መደበር ፖሊስ ተራእዩ'ሎ። እቲ ከባቢ ብሓይልታት ጸጥታ ተዓጽዩ'ሎ። በመሰረት ሓበሬታ ምኽትል ዳይሬክተር ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ሙላጎ : ረዝመሪ ብያንያማ 7- ብጽኑዕ ዝቆሰሉ ዝርከብዎም 27- ቁሱላት ተቀቢሎም ' ለዉ። እዚ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ንነጀው ኣብ ካምፓላ ን'3ይ ግዜ ዝተተኮሰ ነተጉቲ' ዩ። እቲ ናይ መጀመርያ ኣብ ሓደ ቤት ምግቢ ተተኩሱ ሓደ ሰብ ምቅታሉን ካልኦት 5- ሰባት ምቁሳሉን ይዝከር። ሰበ ስልጣን ዛጊድ በዚ ናይ ሎሚ ነተጉቲ ዝኸሰስዎ ኣካል የለን። ዝሓለፈ መጥቃዕታት ግን ሚሊሻታት ዳዒሽ ንሕና ኢና ፈጺምናዮ ኢሎም ዮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6315119.html"} {"headline":"ሱዳናዊያን ሓዱሽ ቀዳማይ ምንስቴር እታ ሃገር ክሽወም ይፅበዩ ኣለው","content":"ወታደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል ቡርሓን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብባዕሎም ዝምራሑ ሓድሽቲ ኣባላት ናይ ስግግር ቤት ምኽሪ ድሕሪ ምምስራቶም ሱዳናዊያን ሓዱሽ ቀዳማይ ምንስቴር ክሽወም ይፅበዩ ኣለው።እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ ወታደራዊ ሰበስልጣን ሱዳን እታ ሃገር ናብ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ክትምለስ ድርድር ክጅመር ምሕፅንታ ኣብ ዘቕረብሉ እዋን እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ሱዳናዊያን ኣብ ትሕቲ ፅላል ማሕበር ሰብሙያ ሱዳንን ኮሚቴ ተቓውሞን ብስቪል ናብ ዝምራሕ ስግ ግር ክምለስ ብምሕታት ቀዳም ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም። ናይ ሱዳን ኮሚቴ ሓካይም ኣብ ካርቱም ኣርባዕተ ኣብ ኦምዱርማን ሓደ ብድምር ሓሙሽተ ሰባት ብጥይትን ብመንብዒ ጋዝን ተቐቲሎም ክብል ገሊፁ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/sudanese-are-waiting-to-hear-the-appointment-of-a-new-prime-minister\/6313952.html"} {"headline":"ህዩማን ራይትስ ዎች ንሕብረት ኣፍሪቃ መብጽዓ ሰብኣዊ መሰላት ከኽብር ይጽውዕ","content":"ኮሚሽን ኣፍሪቃ ንሰብኣውን ናይ ሰባትን መሰላት ሎማዕንቲ ሶኑይ ናይዚ ዓመት ናይ መወዳእታ ኣኼብኡ ኣብ ዝኸፍተሉን እዋን መብፅዓ ክኣቲ ሕብረት ኣፍሪካ ከተሓሳስቦ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ህይውማን ራይትስ ዎች ኣተሓሳሲቡ። ህይወማን ራይትስ ዎች ትማሊ ሰንበት ኣብ መግለፂኡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብታ ኣህጉር እናሰፍሕ ይኸይድ ዘሎ ናይ ሰብኣዊ መሰላትን ዴሞክራስን ቅልውላዋት ሕብረት ኣፍሪካ ብቕልጡ ክፍትሕ ኣተሓሳሲቡ። ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ክልል ትግራይ ሓሊፉ ውግእ ኣብ ዝሰፍሐሉን ኣብ ዝሓየለሉን ሕብረት ኣፍሪካ ኣባል ሃገራት ግቡአን ክፍፅማ ድልዉነቱ ከረጋግፅ ኣገዳሲ እዩ’’ይብል እቲ መግለፂ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/hrw-urges-african-union-to-pledge-support-for-africa-commission-on-human-peoples-right\/6313939.html"} {"headline":"ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከር ናብ ኬኒያ ተጓዒዞም","content":"ናይ ኣሜሪካ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪካ ንምብፃሕ ሎማዕንቲ ሶኑይ ናብ ኬኒያ ተጓዒዞም።ብሊንከን ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ይካየድ ዘሎ ኵናት ንምዝታይ ካብ ዝገሽሉ ኢትዮጵያ ምስ ዝተመለሱ ፕሬዝዳንት ኬኒያታ ክራኸቡ እዮም። ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ፕሬዝዳንት ኡሁሩ ኬኒያታ ብምርኻብ ብዛዕባ ዞባዊ ፖለቲካውን ፀጥታውን ኩነታት ምብራቕ ኣፍሪካ ክዝትዩ እዮም።ኣብ ዩኒቨርስቲ ናይሮቢ ክኢላ ዲፕሎማስን ዓለምለኸ ርክባትን ፕሮፌሰር ቻቻ ኒያጎቲ ናይ ብሊንከን ዑደት ዝሕብሮ ናይቲ ዞባ ምርግጋእ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ ኢሎም። ኣብ ኢትዮጵያ ኵናት ብዝገደደ ምቕፃሉ ዕልዋ መንግስቲን ዘይርምግ ጋእን ከይፍጠር ስግኣት ልዕል ክብል ገይሩ ኣሎ። ኬኒያ ቶኽሲ ጠጠው ክብል ክተድፍእ ፀኒሓ እያ።ትማሊ ሰንበት እውን ምስ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይን ፕሬዝዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴን ተራኺቦም ብዛዕባ ጉዳያት ፀጥታ ዘትዮም ኣለው። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መንግስቲ ኣሜሪካ ነቲ ኵናት ተቓውምኡ ንምርኣይ ኣብ ልዕሊ ናይ ኤርትራ ወታደራዊ ሓይሊ፣ ሰበስልጣንን ናይ ንግዲ ትካላትን እገዳ ኣንቢሩ ኣሎ። ብሊንከን ድሕሪ ናይ ኬኒያ መገሽኦም ናብ ናይጀሪያን ሰኔጋልን ክጉዓዙ እዮም። መራሕቲ ትግራይ ንቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ካብ ስልጣን ንምውራድ ድፍኢቶም ኣብ ዝቐፀልሉን ዝኾነ ይኹን ድርድር ቅድሚ ምጅማሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ክወሃቦ ይሓትት ኣብዘለሉን ተዋጋእቲ ወገናት ኣብ ውሽጢ እቲ ቅልውላው ምጥሓሎም ቀፂሎም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/kenya-ethiopia-leaders-discuss-tigray-conflict-ahead-of-blinken-visit\/6313921.html"} {"headline":"ሕቡራት ሃገራት፡  ንሰብኣዊ ረድኤት ኢትዮጵያ  ዝውዕል ናይ 40 ሚልየን ዶላር ሓገዝ ሂቡ","content":"እቲ ህጹጽ ረድኤት፡ በቲ ኣብ ሰሜናዊ ክልላት ዘሎ ግጭት ንዝተጎድኡን፡ ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ብደርቂ ንዝተሃስዩን ዝውዕል ምዃኑ፡ ሰበ-ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጦም ኣለዉ። ኣብዚ ቐረባ ኢትዮጵያ በጺሑ ዝተመልሰ ኣወሃሃዲ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፍስ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ዘለዎም ሰብኣዊ ቅልውላው እናዓሞቐን እናሰፍሐን ይኽይድ ምህላዉ ብምግላጽ፡ እቲ ሕጂ ብሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ረድኤት ዝተዋህበ ገንዘብ፡ ነቶም ኣብ ክልላት ትግራይ ኣምሓራን ዓፋርን ዝያዳ ዝተጎድኡ ገለ ሓገዝ ክኾኖም ብዝብል ምዃኑ ጠቒሱ`ሎ። ኣብዚ ዓመተ-2021 ጥራሕ፡ ካብ ማዕከን ህጹጽ ምላሽ ሕቡራት ሃገራት፡ ንኢትዮጵያ ዝተዋህበ ሐገዝ ፡65 ሚልየን ዶላር ምዃኑን፡ ኢትዮጵያ ዝለዓለት ተቐባሊት ሓገዝ`ቲ ማዕከን ምዃናን ተተሓሒዙ ዝመጸና ሓበረታ የመልክት። እንተኾነ ኣብ ምልእቲ`ታ ሃገር ዘድሊ ሓገዝ ናይ 1.3 ቢልየን ዶላር ሕጽረት ከምዘሎን፡ ካብ መንጉኡ ድማ ንትግራይ ዝምደብ 350 ሚልየን ምዃኑ ተጠቒሱ`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6313826.html"} {"headline":"ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣሮን ክፍለን ራሄል ዳኒኤልን ኣብ ውድድር ጉያ መሮር ስጳኛ ዓወታት ሓፊሶም","content":"ኤርትራዊ ኦለምፒያዊ ተቐዳዳሚ ኣሮን ክፍለ ብሰንበት ኣብ ስጳኛ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 9 ኪሎ-ሜተር ዝሽፍን ጉያ መሮር ብ25፡33 ግዜ ቀዳማይ ኰይኑ ውድድሩ ዛዚሙ ኣሎ። ኣብቲ ውድድር ወዲ ብሩንዲ ሮድሪገ ክዊዘራ ንኣሮን ተኸቲሉ ካልኣይ ክወጻእ እንከሎ ኬንያዊ ጆል ኣየኮ ድማ ሳልሳይ ኰይኑ ውድድሩ ዛዚሙ። ኣብ ተመሳሳሊ ናይ ውድድር ደቀንስትዮ ድማ ዕስራ ዓመታ ንምንጽባል እትቀራረብ ዘላ ኤርትራዊት ራሄል ዳኒኤል ነቲ ብኬንያውያን ኣትለታት ዝዕበለል ዝነበረ ውድድር ቀዳመይቲ ኰይና ፈጺማቶ ኣላ። ንራሄል ተኸቲለን ድማ ኬንያውያን ቢያትሬስ ቸበትን ማርጋሬት ቸሊሞን ካልኣይቲን ሳልሳይቲን ኰይነን ኣለዋ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6313797.html"} {"headline":"ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደገፍቲ ህወሓት ተባሂሎም ንዝተጠርጠሩ ይኣስሩ ኣለው","content":"ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደገፍቲ ህወሓት ተባሂሎም ንዝተጠርጠሩ ኣማእቲ ተወለድቲ ትግራይ ኣኪቦም ይኣስሩዎም ኣለው።እቲ ማእሰርቲ ኩሎም ወገናት ንድሕሪት ክምለሱ፣ እቲ ውግእ ጠጠው ከብሉን ኣብ ባይታ ይኸውን ዘሎ ደው ክብልን ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ፃውዒት ኣብ ዘቕረብሉ እዩ።መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራሕተኛታት ሕቡራት መንግስታት ዝተኣሰሩ ሕጊ ብምጥሓስ ስለዝተጠርጠሩ እዩ ይብል። ሕቡራት መንግስታት ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ህፁፅ ግዜ ምስ ኣወጀ ኣብዚ ሰሙን ዝተኣሰሩ ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት ሕቡራት መንግስታትን ብናይ ሕቡራት መንግስታትን ካልኦት ጉጅለታት ረድኤትን ብኮንትራት ዝሰርሑ ዓሰርተታት ዘወርቲ ናይ ፅዕነት መካይንን ክፍትሑ ይደሊ።ወሃቢ ቃል ዋና ፅሓፊ ሕቡራት መንግስታት ዝኾኑ ስቴፋን ዱጃሪክ ንኣባላት ሰርሕተኛታት ሕቡራት መንግስታት ንምፍታሕ ምስ መንግስቲ ንሰርሕ ኣለና ኢሎም። ማእሰርቲ ናይዞም ዘወርቲ ናይ ፅዕነት መካይን ሕቡራት መንግስታትን ናይ ረድኤት ትካላትን ናብ ክልል ትግራይ ንሚሊዮናት ሰባት ዘድሊ ምግቢ፣ቀረባት መድሓኒትን ነዳዲን ንምቕራብ ንዝካየዱ ፃዕርታት ካሊእ ዕንቅፋት ኮይኑ ኣሎ። ሰራዊት ኢትዮጵያ 18 ጥቅምቲ 2021 ኣ\\ፈ ኣብ ከተማ መቐለ ደብዳብ ነፈርቲ ካብ ዝጅመር ናብቲ ክልል ካብ ወፃኢ ዝኣተወ ረድኤት የለን። ክልቲኦም መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ናይ ትግራይ ተዋጋእትን እቲ ሓደ ነቲ ካሊእ ትድግፍ ኣላ ብዝብል ንኣሜሪካ ይኸሱዋ።ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ግን ኩሎም ወገናት ንድሕሪት ክስሕቡን ሓገዝ ንዘድልዮም ሰብኣዊ ረድኤት ንምቕራብ ውግእ ጠጠው ክብሉን ብረቡዕ ፀዊዖም። ኣዲስ ኣበባ ህድእቲ እያ።መብዛሕቲአን ምዕራባዊያን ሃገራት ግን ዜጋታትነ ክወፃን ናብ ኢትዮጵያ ከይጉዓዙን ሓቲተን ኣለዋ። ብኻሊ ዜና ትማሊ ሓሙስ ንጋዜጠኛታት መግለፂ ዝሃቡ ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ሰራሕተኛታት ዝተኣሰሩ ንናይ ኢትዮጵያ ሕጊ ብምጥሓስ ስለዝተጠርጠሩ እዩ ኢሎም። ወሃቢ ቃል ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብዛዕባ ፃዕሪ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ንቀርኒ ኣፍሪካ ኣባሳንጆ ተሓቲቶም መንግስቲ ኢትዮጵያ ፃዕሩ ንሰላም ጠጠው ምባል ስለዝኾነ ንድግፎ ኢና ኢሎም።ንሰላም ዕንቅፋት ዝኾኑ ኩነታት ክሳብ ዝተወገዱ ናብ ሰላም ዘይኽየደሉ ምኽኒያት የለን ኢሎም ብምውሳኽ። ሕዚ እታ ሃገር ብእትርከበሉ ኩነታት ግን ናይ ድርድር ስራሕን መስርሕን ገና እዩ ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/as-diplomatic-eeforts-continue-ethiopia-forces-detain-un-staffers-truck-drivers\/6310926.html"} {"headline":"ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራን ትካላት ህግደፍን ማዕቀብ ኣንቢራ","content":"ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካን ክፍሊ ገንዘብ (ትረጀሪ)ን፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ግጭት ኢትዮጵያ ብዝጻወቶ ዘሎ ኣሉታዊ ተራ ሎሚ 12 ሕዳር 2021 ማዕቀብ ኣንቢሩ። ኣብቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ዝወጸ መግለጺ ከም ዘነጽሮ፡ እቲ ማዕቀብ ኣካል’ቲ ብፕረዚደንት ጆ ባይደን 17 መስከረም ዝተፈረመ ፕረዚደትናዊ ትእዛዝ’ዩ። መግለጺ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ከም ዘመልክቶ፡ ኤርትራ፡ ካብ ትግራይ ሰራዊታ ክትሕስብ ተደጋጋሚ ደኣ ትተሓበር እምበር፡ ገና ከይሰሓበት ክጠቅስ እንከሎ፡ ነቶም ኣብ ኲናት ኢትዮጵያ ወሳኒ ተራ ዘለዎም’ሞ ኣቐዲሞም ኣብቲ ዝርዝር ማዕቀብ ዝኣተዉ ሰበ-ስልጣን ፈደራል መንግስቲን መራሕቲ ህወሓትን ግን ነቲ ዅነታት እንተመሓየሹን ብሰላማዊ መገዲ እንተ ፈትሑን ብምባል ተወሳኺ ግዜ ክህቦም ከም ዝወሰነ የመልክት። በዚ ሎሚ ዝወጸ መግለጺ ማዕቀብ ዝተገብረሎም ኣካላት፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሒን፡ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ስለያን ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ፡ ሓላፊ ቍጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወት፡ ማዕከን ሕድሪ ከምኡ’ውን ንግዳዊ ኮርፖረሽን ቀይሕ ባሕሪ’ዮም። ብመሰረት ወሪዱ ዘሎ መምርሒ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ንብረት እዞም ዝተጠቕሱ ኣካላትን ወልቀሰባት ዝዀኑ ናብ ክፍሊ ገንዘብ ኣመሪካ ጨንፈር ንብረት ወጻኢ ሪፖርት ክግበር ዝእዝዝ’ዩ። ብቤት ጽሕፈት ኣንቶኒ ብሊንከንን ክፍሊ ገንዘብን ዝወጸ መግለጺ፡ እቲ እገዳ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ወይ ኢትዮጵያ ወይ’ውን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘይኰነስ ኣብ ልዕሊ’ቶም ነቲ ኲናት ዘጋድዱ ዘለዉ ኣባላት ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ። ወሲኹ ከኣ እቲ መግለጺ ተበይኑ ዘሎ እገዳ ንሰላማዊ ህዝቢ ከይትንክፍን ንንግዲን ልውውጥን ፍርያት ሕርሻ፡ መግቢ፡ መድሃኒትን ካልእ መሰረታዊ ቀረባት ከም ዘይጸሉን ይጠቅስ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6310877.html"} {"headline":"ባይደንን ዚንፒንግን ዝመጽእ ሰሙን ብማንዛ ክራኸቡ ምዃኖም ይግለጽ ኣሎ","content":"ናይ ዩኤስ ፕረሲደንት ጆ ባይደንን ናይ ቻይና መራሒ ዢ ዚንፒንግን ዝመጽእ ሰሙን ብማንዛ ክራኸቡ ምዃኖም ይግለጽ ኣሎ። እዚ ርክብ ዝስማዕ ዘሎ ኣብ መንጎ`ዘን ኑክሌር ዝዓጠቓ ክልተ ሃገራት ውጥረት ኣብ ዝሓየለሉ እዋን`ዩ። ወሃቢት ቃል ዋይት ሃዋስ ካሪን ያን ፒየር፡ ቅድሚ ምውዳእ `ዚ ዓመት ብማንዛ ንክራኸቡ ብመርህ- ደረጃ ምስምሞዖም ብሰኑይ ንሪፖርተራት ሓቢራ ኔራ`ያ። ዕላማ`ቲ ዋዕላ ድማ፡ ብጠንቂ ምስሕሓብ ጉዳይ ንግድን ወተሃደራዊ ንጥፈታትን ናብ ግጭት ካብ ምእታው ንምክልኻል ምዃኑ ሰበ-ስልጣን ዩኤስ ገሊጾም ኣለዉ። ዝሓለፈ ረቡዕ ዝተዛረበ ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ወጻኢ ቻይና ብወገኑ፡ ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ምድላዋት ምርኻብ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ብቐረባ ክዘራረቡ ምጽንሖም ሓቢሩ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6310809.html"} {"headline":"ተወለድቲ ትግራይ ብመንነቶም ብጃምላ ይእሰሩ ከምዘለው ነበርትን ተሓለቕቲ መሰላትን ገሊፆም","content":"No media source currently available ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታትን ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ብመንነቶም ንጃምላዊ ማእሰርቲን ስቓይን ይሳጥሑ ዝብል በበይኑ ሓበሬታታት ክበጽሓና ጸኒሑ። ኣብ ትግራይ ግጭት ካብ ዝልዓል ጀሚሩ ካብቲ ዓውዲ ውግእ ርሒቖም ዝርከቡ ስቪላት መቕተልቲ ሓዊሱ ግዳያት ማእሰርቲ መስወርቲምዕሻግን ምውራስን ንብረት ይኾኑ ከምዘለው ዝተፈላለዩ ፀብፃባት ይሕብሩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብናይ መንግስቲ ስራሕ ንነዊሕ ዓመታት ዝሰርሐ ንድሕንነቱ ክብሃል ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለየ ነባራይ ቅድሚ ሎሚልዕሊ ሰለስተ ግዜ ከምዝተኣሰረ ይገልፅ። ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ ግፋ ማእሰርቲ ብስፍሓት ይፍፀም ከምዘሎ ብዓይኑ ከምዝርኣየ ዝገለፀ ዘዘራረብናዮ ካብ መንበሪኡ ወፂኡ ተሓቢኡ ከምዝርከብ ይገልፅ።ካብ ዝሰርሕሉ ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ብፍሓት ተሓፊሶም ተወሲዶም ይብል።ንሱ ግን ካብ መሳርሕቱ ብዝበፅሖ ሓበሬታ ካብ ማእሰርቲ ከምዘምለጠ ይዛረብ። እቲ ኵናት ዓሚ ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ወታደራትን ላዕለዎት መኮነናትን ተወላዶ ትግራይ ዕጥቖም ፈቲሖም ገሊኦም ኣብ ፈቖዶ ካምፕታት ተኣሲሮም ገሊኦም ላዕለዎ መኮንናት ድማ ካብ መንበሪ ገዛውቶም ከይወፁ ተነጊሩዎም ንሓደ ዓመት ኮፍ ኢሎም ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ግን ካብ ገዛውቶም ተወሲዶም ኣበይ ከምዝኣተው ኣይፍለጥን።እዚ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዘዘራረብኩዎ ነባራይ እውን ንሱ ዝፈልጦም ሰለስተ ኮሎኔላት ተወሲዶም ኣበይ ከምዘለው ከምዘይፈልጡ ስድርኦም ከምዝገለፅሉ ይዛረብ። እዚ ሽሙ ክዕቀበሉ ዝደለየ ሰብ ገዝኡ ብተደጋጋሚ እናተፈተሸ ንሰለስተ ኣርባዕተ ማዕልታት ተኣሲሩ ከምዝተፈትሐ ይዛረብ። እቲ ማእሰርቲ ብዘይ ኣፈላላይ ዝፍፀም ዘሎ እዩ ዝበለና ካሊእ ነባራይን ሰራሕተኛ መንግስቲ ድማ ቅድሚ ሎሚ ተኣሲሩ ከምዝነበረ ይሕብር ።እቲ ማእሰርቲ እቲ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ቅድሚ ምእዋጁ ቅድሚ ክልተ ማዕልቲ ከምዝጀመረ ብምግላፅ ድሕሪ እቲ ኣዋጅ እቲ ንኩነታት እናገደደ መፂኡ ደረት እውን የብሉን ይብል። ብዓል ሙያ ሕጊ ከምዝኾነ ንርእሱ ዝገለፅ እዚ ነባራይ ብተጋሩ ዝወነኑ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ናይ ንግዲ ትካላት ከምዝተዓፅው ብምግላፅ እቲ ሰብ ሰሪሑ ከይበልዕ ምዕፃውን ማእሰርቲን ተሓዊሱዎ ኣሎ ኢሉ። ናይ ኣቦይ ስብሓት ነጋ ናይ ሕጊ ጠበቓ ዝነበረ ኣቶ ታደለ ገብረመድህን እውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝርከብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ይገልፅ። ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን 8 ሕዳር 2021 ኣ\\ፈ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ምስ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ተኣሳሲሩ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ይውዕሉ ዘለው ሰባት ኩነታት ኣተሓሕዝኦም ከምዘተሓሳስቦ ገሊፁ ኣሎ።ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ካብ ዝእወጅ 23 ጥቅምቲ 2014 ዓ\\ም ጀሚሩ ሰባት ካብ ናይ ስራሕ ቦትኦም፣ካብ መንበሪኦምን መንገድን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖሊስ ጣቢያታት ተኣሲሮም ከምዝርከቡ ገሊፁ ኣሎ። እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘካየዶ ክትትል ከምዘረጋገፆ እቲ ማእሰርቲ መንነት ወይ ብሄር መሰረት ብዝመስል ኣገባብ ይካየድ ከምዘሎን እቲ ማእሰርቲ ህፃውንቲ ደቂ ዘለወን ኣዴታትን ብዕድመ ዝደፍኡ ዓበይትን ዝርከቡሉ ብምዃኑ ኣዚዩ ከምዘተሓሳስቦ ይገልፅ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ተወኪሱ ከም ዘሰፈሮ’ውን፡ ንተወልደቲ ትግራይ ዒላማ ዝገበረ “ተደጋጋሚ ማዕበል” ማእሰርቲ ክብል ገሉጹዎ ኣሎ። ኣብ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት Human Rights Watch ዳይረክተር ቀርኒ ኣፍሪካ ዝኾነት ላቲሻ ባደር ብዛዕባ እዚ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃበቶ ሪኢቶ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘሕለፎ ህፁፅ ኣዋጅ ዘተሓሳስብ እዩ ኢላ። እቲ ኣዋጅ ንሓይልታት ፀጥታ ብዙሕ ስልጣን ህዝብ ምዃኑ ብምሕባር ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ እሱራት ምስ ስድርኦም ዘይረኽብሉን መብዛሕቲኦም ናብ ክልል ዓፋር ተወሲዶም ዝተኣሰርሉን ከምዝነበረ ኣዘኻኺራ ላቲሻ ባደር።ኣብዚ ሰሙን ማእሰርቲ ይፍፀም ከምዘሎ ሓበሬታ ከምዝበፅሓ ትዛረብ። ‘’ሓቂ እዩ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ብዘተሓሳስብ ኩነታት ተወለድቲ ትግራይ ጥራሕ ከይኮነስ ተወልደቲ ብሄር ኦሮሞ እውን ምእሳሮም ከምዝወሰኸ ፀብፃብ በፂሑና ኣሎ’’ትብል። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ‘’ድሕነትን ፍትሕን ንትግራዎት’’ ዝተብሃለ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደብሩ ውዳበ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ይፍፀም ኣሎ ዝበሎ ጃምላዊ ማእሰርቲ ኣመልኪቱ ጥርዓኑ ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኣቕሪቡ ነይሩ። ብዛዕባ እዚ ሪኢቱኦም ዝሃቡኒ ናይ ድሕነትን ፍትሕን ንትግራዎት ምኽትል ፕሬዝዳንት ኦፕረሽን ፕሮፌሰር ሙሉጌታ ገብረግዛብሄር፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዩኒቨርስቲ ባህርዳር ዝምህር ዝነበረ ኣብ ኣፍደገ መንበሪኦም ብጥይት ተወቒዖም ከም ዝተቐትሉን ስድራቤቱ’ውን ክቕብሩዎ ዕድል ከም ዘይተዋህቦምን ይዛረብ። ካልኦት ክልተ ተወለድቲ ትግራይ ዝዀኑ ምምሃራን ዩኒቨርስቲ’ውን ኣብ ወሎ ከም ዝተቐትሉ የመልክት ፕሮፈሰር ሙሉጌታ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ህፁፅ ኣዋጅ ግዜ ምስ ሽብር ጉጅለታት ይተሓባበሩ እዮም ተባሂሎም ምኽኒታዊ ብዝኾነ ኣገባብ ዝተጠርጠረ ዝኾነ ይኹን ሰብ ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ኣብ ቁፅፅር ክውዕል ከምኽእል ይገልፅ እቲ ኣዋጅ። መንግስቲ ኢትዮጵያ መንነት መሰረት ዝገበረ ማእሰርቲ ኣይተፈፀም ክብል ብተደጋጋሚ ይነፅጎ። ትማሊ ንቪኦኤ መልሲ ዝሃቡ ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ናይ ኮሚንኬሽን ኣገልግሎት ምንስቴር ዶክተር ለገሰ ቱሉ ሰባት ናይታ ሃገር ሕጊ ስለዝጠሓሱ እምበር ብመንነቶም ይኹን ናይ ሕቡራት መንግስታት ሰራሕተኛታት ብምዃኖም ኣይኮነን፣ብመንነት ዝእሰር ሰብ የለን ኢሎም። ሎሚ ንጋዜጠኛታት መግለፂ ዝሃቡ ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ሰራሕተኛታት ዝተኣሰሩ ንናይ ኢትዮጵያ ሕጊ ብምጥሓስ ስለዝተጠርጠሩ እዩ ክብሉ ነቲ ነይ መንግስቲ መርገፂ ደጊሞም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/human-rights-groups-and-residents-said-ethnic-based-abuses-intensfied-in-ethiopia\/6309553.html"} {"headline":"ዓቢይ ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያ ካብ ዝመጽእ ዓመት ጀሚሩ 700 ሜጋዋት ኤለክትሪክሲቲ ከመንጩ ከምዝጅምር ተገሊጹ","content":"ዓቢይ ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያ ካብ ዝመጽእ ዓመት ጀሚሩ፡ 700 ሜጋዋት ኤለክትሪክሲቲ ከመንጩ ትጽቢት ከም ዝግበር ሎሚ ሓሙስ ሓደ ላዕላዋይ በዓል ስልጣን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ንሱ ድማ ንምንጪ ሓይሊ ኤለክትሪክ`ታ ሃገር ብ14 ሚእታዊ ከምዘዕብዮ ተገሊጹ`። ኢትዮጵያ ምስ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ጽዑቕ ልዝብ`ያ ከሪማ- ምስተን ሻቕሎት ሕጽረት ማይን ውሕስነትን ዝተሓሳስበን ሃገራት። ገና`ውን ኣብ ምሉእ ስምምዕ ኣይተበጽሐን። ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ወጻኢ ዩኤስ ዝሓለፈ ሓምለ ክዛረብ ከሎ፡ ምምላእ `ቲ ሓጽቢ ውጥረት ናይ ምልዓል ተኽእሎ ከም ዘለዎ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኩሎም ወገናት በይናዊ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ክቑጠቡ ኣተሓሳሲቡ ኔሩ`ዩ። ኢትዮጵያ ድማ ንቐረብ ሓይሊ ኤለክትሪክን ልምዓታዊ ዕብየትን`ታ ሃገር ኣዝዩ ከምዘገድሳ ብምግላጽ: እቲ ስራሕ ክተሳልጦ ከላ ግን ንረብሓታት`ተን ኣብ ታሕታዋይ ተፋሰስ ዘለዋ ሃገራት`ውን ኣብ ግምት ተእቱ ምዃና ክተፍልጥ ጸኒሓ`ላ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6309430.html"} {"headline":"ብሊንከን ኲናት ኢትዮጵያ “ብልዝብ ክፍታሕ” ምዃኑ ይኣምን","content":"በበይኖም ሓይልታት ኢትዮጵያ ኣንጻር ሰራዊት ፈደራል ዓቢ ዓወት የመዝግቡ ከም ዘለዉ ኣብ ዝገልጹሉ ዘለዉ እዋን፡ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ እቲ እንኮ ፍታሕ ዘተ ጥራይ’ዩ ክብል ትማሊ ረቡዕ ተዛሪቡ። ከም ጸብጻብ ዜና ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ፡ “ኩላቶም ወገናት ሓደጋ ምቕጻል ኲናት ዝተገንዘቡ ይመስሉ፡” ክብል ንጋዜጠኛታት መግለጺ ሂቡ። ብሊንከን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኦሎሰገን ኦባሳንጆን ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፈሪ ፈልትማን ድሕሪ ምዝርራቡ’ዩ ከምኡ ዝበለ። ወሲኹ ብሊንከን፡ ኦባሳንጆ ኣብ ዘተ ዝገበሮ ዘሎ ፈተናታት ተስፋ ከም ዘለዎን ኣመሪካ ምሉእ ድጋፍ ከም እትህቦን ይጠቅስ። ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ድማ እቲ ዝካየድ ዘሎ ምይይጥ ንፍታሕ መስኮት ዝኸፍትን ንምቍራጽ ተጻብኦታት ዝድርኽን’ዩ። ምቍራጽ ተጻብኦታት ንዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ዕድል ምኽፋትን ንፖለቲካዊ ፍታሕ መገዲ ምርሓውን ምዃኑ ብሊከን ይገልጽ። ብሊንከን ምስ ምኽታል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን ብቴለፎን ከም ዝተዛራረቡ’ውን ካብ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ዝወጸ መግለጺ ይሕብር። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኦሊሰገን ኦባሳንጆ ናብ ክልላት ዓፋር፡ ኣምሓራን ትግራይን በጺሑ ምስ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ከም ዝተመያየጠ ጸብጻባት ወኪልትና ካብ ኢትዮጵያ የመልክት። ኦባሳንጆ ንትግራይ በጺሑ ምስ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ክዛራረብ ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ሕጂ ንኻልኣይ እዋኑ’ዩ ዝኸውን ዘሎ። መዛራረቢ ኣርእስቲ ኦባሳንጆን ዝምልከቶም መራሕቲ ክልላትን እንታይ ምንባሩ ግን ዛጊት ኣይተሓበረን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6309416.html"} {"headline":"ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ዕጡቓት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ክልል ኣምሓራ ዘስካሕክሕ ጾታዊ ዓመጽን ዝምታን ምፍጻሞም ዝገልጽ ሪፖርት ኣውጺኡ","content":"ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ዕጡቓት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ክልል ኣምሓራ ዘስካሕክሕ ጾታዊ ዓመጽን ዝምታን ምፍጻሞም ዝገልጽ ሪፖርት ኣውጺኡ። ኣምነስቲ ፡ ቃለ-መጠይቕ ዝገበረለን ደቀንስትዮ ከተማ ንፋስ ምውጫ 16 ክኾና ኸለዋ፡ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ግን እተን ዝተዓመጻ ልዕሊ 70 ምዃነን ይገልጹ`ለዉ። ህወሓት ዝሓለፈ ክፍላ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንእትርከብ ንፋስ-መውጫ ሒዙሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ 16 ደቀንስትዮ ብዕጡቓት ህወሓት ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ከም ዝተዓመጻ ምስምዑ፡ ሪፖርት ኣምነስቲ ይገልጽ። ኣምነስቲ ቃለ-መጠይቕ ዝገበረለን 16 ደቀንስትዮ፡ ብዘይካ`ቲ ኣብ ልዕሊኤን ዝተፈጸመ ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ኣጸያፊ ጸርፍን ማህረምትን ከምኡ`ውን ስርቂ ንብረት ከምዘጋጠመን ምግላጸን እቲ ሎሚ ዝወጸ ሪፖርት ሓቢሩ`ሎ። እተን ደቀንስትዮ ብጉጅለ ከምዝተዓመጻ`ውን ተመሳሳሊ ዝኾነ ዝርዝር ሓበረታ ምሃበን ጠቒሱ`ሎ። ከምኡ`ውን ዕጡቓት ህወሓት፡ ኣብ ንፋስ መውጫ ንዝርከብ ትካላት ሕክምና ከምዝዘመትዎን ከምዘዕነውዎን ኣምነስቲ ኣፍሊጡ`ሎ። እተን ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ነቲ ተሓላቒ መሰል ጉጅለ ክገልጻ ከለዋ፡ እቶም ዕጡቓት፡ ዓሌታዊ ጸርፍን፡ ጨካን ተግባራት መጥቃዕትን ይጥቀሙ ምንባሮምን፡ ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚ ድማ ኣብ ቅድሚ ደቀን ከይተረፈ ከምዝዓመጽወን ምግልጻን ኣምነስቲ ሓቢሩ`ሎ። ሓለፍቲ ህወሓት ነቲ ገበን ክምርምርዎን፡ ነቶም ነቲ ተግባር ዝፈጸሙ ካብ ሰራዊቶም ከውጽእዎምን ተሓላቒ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ`ሎ። ዋና ጸሓፊ ኣምነስቲ ኤግን ካላማርድ ብዛዕባ`ቲ ገበን ክትገልጽ ከላ፡ \"ካብተን ግዳያት ዝሰማዕናዮ ምስክርነት፡ ብዕጡቓት ህወሓት ዝተፈጸመ ግናይ ተግባራት፡ ብደረጃ ገበናት ኩናት ዝርአን፡ ከም ገበናት ጸረ-ሰብኣውነት ክቑጸር ተኽእሎ ዘለዎን`ዩ \" ኢላ። \" ካብ ሞራልን ካብ ሰብኣውነትን ኣዝዩ ዝርሓቐ\" በደል ምዃኑ`ውን ትገልጽ ዋና ሓላፊት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል። ወሃብ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ቅድሚ’ቲ ጽሑፍ ምዝርጋሑ ብትዊተር ኣብ ዝፈነዎ ግብረ-መልሲ፡ “ዘይሻራዊ ንምምሳል ንምትዕርራይ ዝተገበረ ፈተነ፡” ክብል ነቲ ጽሑፍ ነጺጎሞ ኣሎ። ቪኦኤ ክፋሊ ኣምሓርኛ`ውን ምስ ገለ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ቃለ-መጠይቕ ኣካይዱ ኔሩ። ጓል 50 ዓመት ነባሪት ንፋስ መውጫ፡ ብዛዕባ`ቲ ኩነታት ክትገልጽ ከላ፡ ካራን ቦምባን ዝሓዘ ናብ ገዛይ ኣትዩ እንተ ተንቀሳቒስኪ እግርኺ ክቆርጸኪ`የ ኢሉ ኣፍሪሑ ዓሚጹኒ ትብል። ካልእ ጓል 30 ዓመት ግዳይ ድማ፡ 3ተ ወይ ኣርባዕተ ዝኾኑ ዕጡቓት ናብ ገዛይ ኣትዮም ክንቀትለኪ ኢና ኢሎም ብጠበንጃ ኣፈራሪሖም ኣብ ቅድሚ ደቀይ ብጉጅለ ዓሚጾምኒ፡ ንወዲ 8ተ ዓመት ቆልዓይ`ውን ጎዲኦምለይ ትብል። ናታ ኣውያት ሰሚዓ ክትሕግዛ ዝመጸት ጎረቤት `ውን ንባዕላ በቶም ዕጡቓት ከምዝተዓመጸት ትገልጽ። ሰበ-ስልጣን ክልል ኣምሓራ ኮኑ ሰበ-ስልጣን ፈደራል፡ ብዕጡቓት ህወሓት ኣብ ንፋስ መውጫ ዝተዓመጻ ደቀንስትዮ ቁጽረን ካብ 71 ክሳብ 73 ከምዝበጽሕ ይገልጹ። ኣምነስቲ ኢንተናሽናል ኣብቲ ሪፖርቱ፡ እቶም ተዋጋእቲ ህወሓት ነተን ደቀንስትዮ ድሕሪ ምዕማጾም ንብረተን ምዝራፎም ምስምዑ`ውን ጠቒሱ`ሎ። ሓንቲ ትዕግስቲ ትብሃል ካብ መንጎ ግዳያት ሓንቲ፡ እቶም ዕጡቓት ብዕለት 12 ነሓሰ ፡ ኣብ ልዕሊኣ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሞም፡ ካብ ዝነበራ ድኳን ዘሚቶም ወርቃ ከይተረፈ ከምዝወሰዱላ ትገልጽ። ካብ መንጎተን ኣምነስቲ ዘዛረበን 16 ደቀንስትዮ ኣተን 15፡ ድሕሪ`ቲ መጥቃዕቲ ብናይ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጸገማት ጥዕና ይሳቐያ ከምዘለዋ ገሊጸን ኣለዋ። ኣምነስቲ ኣብቲ ሪፖርቱ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ`ውን ነተን ጾታዊ መጉዳእቲ ዝወረደን ደቀንስትዮ ኣብ ምሕጋዝ ክቀላጠፍ ምሕጽንታ ኣቕሪቡ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6307889.html"} {"headline":"ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮ፣ ንምክትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ከሚላ ሃሪስ ኣብ ‘ኢልዚ ፓላስ’ ተቀቢሎም ከምዘተኣናግዱ ተገሊጹ","content":"ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮ፣ ንምክትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ከሚላ ሃሪስ ኣብ ‘ኢልዚ ፓላስ’ ተቀቢሎም ከምዘተኣናግዱን፣ ኣብ ልዕሊ ለውጢ ኣየር፣ ጥዕና፣ ዓለም ለኻዊ ቁጠባን ቀረብን ከምዝዘራረቡን ተገሊጹ። ምክትል ፕረዚደንት ከሚላ ሃሪስ፣ ንናይ ኣርባዕተ መዓልታት መገሻ ፓሪስ ዝኣተዋ ትማሊ ረቡዕ እዩ። ዕላማ መገሸአን፣ ብሰንኪ ውዕል ዕዳጋ መርከብ ውግእ ውሽጢ ባሕሪ (ሳብ መሪን) ንዝተፈጥረ ውጥረት ንምትህድዳእ ከምዝኾነ እቲ ዜና ይሕብር። ምክትል ፕረዚደንት ሃሪስ፣ ምስ ፕረዚደንት ማክሮ ቅድሚ ምርኻበን፣ ምስ ባዓል ቤተን ዳግ ኢምሆፍ ኣብ ትካል ምርምር ፓስተር ዑደት ብምክያድ ኣብ ምርምር መድሓኒት ጸረ ኮቪድ 19 ይነጥፉ ንዘለው ኣሜሪካዊያንን ፈረንሳዊያንን ሊቃውንቲ ኣዘራሪበን። ሰበ ስልጣን ‘እቲ ዑደት፣ መርአያ ናይ ክልቲኤን ሃገራት ነዊሕ ዝጸንሐ ልውውጥ ሳይንሳዊ ምርምር እዩ’ ክብሉ ይገልጽዎ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6307831.html"} {"headline":"ወኪላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ፍታሕ ንምምፃእ ግዜ ይስንቀቕ ኣሎ ክብሉ ኣጠንቂቖም","content":"ናይ ወኪላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ኢትዮጵያናብ ምሉእ ሕድ ሕድ ኵናት ቅድሙ ምእታዋ ንግጭት ትግራይ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምምፃእ ግዜ ይፅንቀቕ ኣሎ ኢሎም።እዚ መጠንቀቕታ ዝስማዕ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰብኣዊ ረድኤት ብምዕፃው ሰባት ኣብ ክልል ትግራይ ብስኣን ምግብን ነዳዲን ይሳቐዩ ኣብዘለውሉ እዋን እዩ። ኣብ ዋና ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ናይ ነዳዲ መሸጢ ኖቕጣታት ተዓፅዮም፣ቀረብ ምግቢ ይፅንቀቕን ዋጋ ምግቢ ድማ ሰማይ ዓሪጉ ንምብዙሓት ሰባት ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ከምዝኾነን ነበርቲ ይገልፁ። ተዋጋእቲ ትግራይ ንኸልተ ከተማታት ደሴን ኮምበልቻን ብምቁፅፃር ናብ ዋና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይግስግሱ ኣብ ዘለውሉ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ህፁፅ ግዜ ኣዊጆም። ብዛዕባ ማእሰርቲ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ሕቡራት መንግስታት ትማሊ ሰሉስ ዝተሓተቱ ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይዝ እንተድኣ ተረጋጊፁ ኣባላት ሰራሕተኛታት ሕቡራት መንግስታት ዓሌታዊ መንነቶም መሰረት ገይሩ ምእሳሮም ብተመሳሳሊ ንኹንኖ ኢሎም።’’ዝተኣሰሩ ተወለድቲ ትግራይ ምዃኖም ካብቲ ሪፖርት ተረዲኢና ኣለና።ኣብ መንነት መሰረት ዝገበረ ምንክልባትን ማእሰርትን ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍፁም ተቐባልነት የብሉን።ማዕርኡ ድማ ምስ ህወሓት ርክብ ብዘለዎም ዕጡቓት ዝፍፀም ናይ ሒነ መጥቓዕቲ ንኹንን፤ኩሎም ወገናት ካብ ከምዚ ዝኣመሰሉ ተግባራት ተኣዲቦም ናይ ሒነ መጥቓዕትታት ጠጠው ከብሉን ንሰብኣዊ መሰላትን ልዕልነት ሕጊን ከኽብሩ ንፅውዕ’’ ኢሎም። ፕራይስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ጀፍሪ ፌልትማን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝርከቡን ኣሜሪካ ንፃዕርታት ላዕለዋይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ንቀርኒ ኣፍሪካ ኦሊሰገን ኣባሳንጆ ከም እትድግፍን ገሊፆም። ኣባሳንጆ ንፖለቲካዊ ፍታሕ ዕድል ኣሎ ግን እቲ መስኮት ይዕፆ እዩ ዘሎ ክብሉ ሶኑይ ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ተዛሪቦምዎም። ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ብቕድሚ ትማሊ ሶኑይ ምስ ናይ ግብፂ ምንስቴር ወፃኢ ካብ ዝተዘራረብሎም ዛዕባታት ኢትዮጵያ ሓንቲ ከምዝነበረት ገሊፆም። ቅልውላው ኢትዮጵያ ንምርግጋእ መላእ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑዎ ኣሎ ዝበሉ ብሊንከን ‘’ቶኽሲ ጠጠው ንምባል ናይ ሰላም ልዝብ ብዘይዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ክካየድ ኣብቲ ግጭት ይሳተፉ ምስ ዘለው ኩሎም ወገናትን ምስ መሻርኽትናን ፅምዶና ክቕፅ እዩ’’ ኢሎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፖፕ ፍራንሲስ ሰንበት ኣብ ኢትዮጵያ ሰላማዊ ናይ ልዝብ መንገዲ ክዓስል ፀሊዮም ኣለው። ‘’ካብ ቀርኒ ኣፍሪካ ይመፅ ዘሎ ዜና ብስኽፍታ እከታተሎ እየ።ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ይካየድ ብዘሎ ግጭት ዝተጎድኡን ማእለያ ዘይብሉ ግዳያትን ዘስዓበ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላውን’’ ኢሎም ፖፕ ፍራንሲስ ። ፕራይስ ኣዲስ ኣበባ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝተረጋግአት እያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ክወፁ ዝደልዩ ኣሜሪካዊያን ናይ መጎዓዚያ ነፍርቲ ክሕዙን ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ድማ ኣብዘድሊ ናይ መምለሲ ልቓሕ ከቕርብን እዩ ኢሎም። ብኻሊእ ዜና ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ን72 ዘወርቲ መካይን ሕቡራት መንግስታት ኣሲሮም።ወሃቢ ቃል ሕቡራት መንግስታት እቶም ዘወርቲ መካይን ንናይ ሕቡራት መንግስታት ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ብኮንትራት ይሰርሑ ከምዝነበሩን ኣብ ዋና ከተማ ክልል ዓፋር ሰመራ ከምዝተኣሰሩን ገሊፆም ኣለው። ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉን ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳይ ወፃኢ ዲና ሙፍትን ብዛዕባ እዚ ማእሰርቲ መልሲ ኣይሃቡን ይብል ፀብፃብ ሮይተርስ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/boservers-see-window-closing-on-a-political-solution-in-ethiopia\/6307734.html"} {"headline":"`ንግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምርካብ ግዜ ይጽንቀቕ ኣሎ` ፡- ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ","content":"ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ትማሊ ሰኑይ ንባይቶ ጸጥታ ክዛረብ ከሎ፡ ንቅልውላው ሰሜን ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምምጻእ ዘሎ መስኮት ዕድል ይጸብብ ኣሎ ኢሉ። ትማሊ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ ንባይቶ ጸጥታ መብርሂ ዝሃበ ኣባሳንጆ፡ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ምስ መራሕቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ከምኡ`ውን ምስ ገለ መሳርሕቶም ዝኾኑ ጉጅለታት ብንጽል ከምዝተራኸበ ኣፍሊጡ- ወጥሪ ንምህዳእን ዝርርብ ንምጅማርን። “ ነዚ ኣብቲ ምሉእ ስትራተጂካዊ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀጥታዊ ጽልዋ ዘለዎ ግጭት ዝያዳ ንከይንህር ፍታሕ ኣብ ምድላይ ሓባራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ዝግብኦ ሕጂ`ዩ\" ኢሉ ኦለሸገን ኣባሳንጆ- ፕረሲደንት ናይጀርያ ነበር። ትማሊ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ ንባይቶ ጸጥታ መብርሂ ዝሃበ ኣባሳንጆ፡ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ምስ መራሕቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ከምኡ`ውን ምስ ገለ መሳርሕቶም ዝኾኑ ጉጅለታት ብንጽል ከምዝተራኸበ ኣፍሊጡ- ወጥሪ ንምህዳእን ዝርርብ ንምጅማርን። \" ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዉ ኮነ ኣብ ሰሜን ዘለዉ መራሕቲ፡ በብውልቆም ክዛረቡ ከለዉ ፍልልያቶም ፖለቲካዊ ፍታሕ ከምዝደልዮን ብልዝብ ክፈትሕዎ ከምዝደልዩን ይሰማምዑ`ዮም\" ዝበለ ፍሉይ ልኡኽ ህብረት ኣፍሪቃ፡ እዚ ማለት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ምሕጋዝ ብሓባር ክንሰርሕ ዕድል ዝህብ`ዩ- ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ኣብ ሞዕራፍን ነባሪ ፍታሕ ኣብ ምድላይን ኢሉ። ኣባሳንጆ ኣተሓሒዙ ሎሚ ሰሉስ ድማ ናብቲ ህወሓት መጥቃዕቱ ዘስፍሓሉን ኣሸሓት ዘፈናቐለሉን ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝበጽሕ ኣፍሊጡ`ሎ፡። ሓይልታት ትግራይ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምርሽ ኣለና እታ ከተማ ድማ ኣብ ኣዋርሕ ወይ`ውን ሰሙናት ኣብ ትሕቴና ክትወድቕ ትኽእል`ያ ኢሎም ኔሮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ን6ተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ህጹጽ ኣዋጅ እዋን ሓደጋ ብምእዋጅ፡ ነበርቲ ሰፈሮም ክሕልዉ ጸዊዑ`ዩ። ጃል ማሮ ኣዛዚ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን መሻርኽቲ ህወሓትን ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ክዛረብ ከሎ፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ንሰለማውያን ሰባት ስግኣት ኣይኮነን፡ ግን ኣቢይን ብልጽግና ፓርቱን ምሉእ ንምሉእ ከልግሱ ኣለዎም ዕርቂ ንክጅምር ኢሉ። \" ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ርጉእን ክንገብሮ ኢና፡ ድሕሪ ስርዓት ኣቢይ ግጭት ከምዘይህሉ እተኣማመን`የ' ኢሉ። ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኢትዮጵያ፡ ንምዕራባዊ ሚድያታትን ገለ ሃገራትን ንህወሓት ብምትብባዕ ከሲሱ`ሎ። ' ክሳብ ንሓደ ብህዝቢ ዝተመረጸ መንግስቲ ንምእላይን፡ 112 ሚልየን ህዝቢ ንዘለዋ ሃገር ንምርባሽን`ዮም ኣጆኹም ዝብሃሉ ዘለዉ ዝበለ ኣምባሳደር ታየ ህዝቀ-ስላሰ ፡ ንጉጅለ ህወሓት ናይ ኮሚኒኬሽን ኣቑሑት፡ ናይ ሳታላይት ሓበረታ፡ ኣጽዋራት ወላ`ውን ናይ ተዋጋእቲ ሓገዝ ዝግብርሉ ዘለዉ ወገናት ካብ ተግባርቶም ክቑጠቡ ነተሓሳስብ ኢሉ። ሓላፊት ፖለቲካ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሮስማሪ ዲካርሎ ብወገና፡ እቲ ግጭት ኣብ ኣዕናዊ ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ ድሕሪ ምጥንቃቕ፡ ቀልጢፉ ደው እንተዘይኢሉ፡ እታ ካብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝቢ ካልአይቲ ዝኾነት ኣገዳሲት ሃገር ናብ መምለሲ ዘይብሉ ኩናት ሕድሕድ ክትጥሕል`ያ ኢላ። እቲ ኩናት ንዞባዊ ርግኣት ቀርኒ ኣፍሪቃ የስግእ ከምዘሎ`ውን ሚስስ ዲካርሎ ሓቢራ። ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣመሪካ ሊንዳ ቶማስ ግሪን ፍልድ ብወገና፡ እቲ ኩናት እናተናውሐ እንተኸይዱ መንገዲ ሰላም እናተረረ ክኸይድ`ዩ፡ ከምቲ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ኣባሳንጆ ዝበሎ፡ መስኮት ዕድል ውሱን`ዩ ግዜ ከኣ ይጽንቀቕ ኣሎ፡ ስለዚ ኩሎም ወገናት ካብ ጸድፊ ተመሊሶም ንህዝቦም ናብ ሰላም ክመርሕዎ ብትሪ ከተሓሳስብ እደሊ ኢላ። ኣተሓሒዛ፡ ኣመሪካ ናብ ሓደ ወገን ዝወገነት`ያ ንዝብል ክስታት ሓሶት`ዩ ኢላ። “ ብንጹር ክዛረበኩም፡ ብኹሎም ወገናት ዝግበር ጎንጺ ንኹንኖ ኢና፡ ብኩሎም ዝፍጸም ዝኾነ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ድማ ንኹንኖ ኢና ኢላ\" ኣምባሳደር ኣመሪካ። ኣብ ሕቡራት ሃገራት ፍልይቲ ኣማኻሪት ኣብ ምክልኻል ምጥፋእ ዘርኢ ኣሊስ ደሪቱ ብወገና፡ ዓሌትን ሃይማኖትን መሰረት ዝገበረ ናይ ጽልኢ ዘረባን ምልዕዓል ጎንጽን ከም ዘሻቐላ ድሕሪ ምግላጽ፡ እዚኦም ኩሎም ንገበናት ግፍዒ ረቛሒታት ክኾኑ ይኽእሉ`ዮም ኢላ። ካብ ኣባሳንጆ ብተወሳኺ፡ ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፍት`ውን ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ናይ 4ተ መዓልታት ዑደት ትማሊ ሰኑይ ዛዚሙ`ሎ። ኣብ እዋን ዑደቱ ናብ መቐለ ርእሰ ከተማ ትግራይ ተጓዒዙ ኔሩ- ናብቲ በቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ ረድኤት ተዓጽይዎ ዘሎ ክልል። ካብ ጥቅምቲ 18 ንድሓር ረድኤት ኣይኣተወን- ልዕሊ 5ተ ሚልየን ህዝቢ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣሎ ይብል ንሱ። ግሪፍት ዝሓለፈ ዓርቢ ምስ ኣቢይን ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ፈደራል መንግስትን ተራኺቡ ኔሩ`ዩ። ናይ ኣመሪካ ፍሉይ ልኡኽ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፈልትማን`ውን ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ ጀሚሩ ኣብቲ ዞባ ቀንዩ`ሎ- ብመሰረት ሓበረታ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ ነድ ፕራይስ፡ ጀፍሪ ፈልትማን ኣብዚ ሰዓት`ዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ`ዩ ዘሎ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6306650.html"} {"headline":"ቤት ፍርዲ ሱዳን ኣገልግሎት ኢንተርነት ክኽፈት ኣዚዙ","content":"ብ25 ጥቅምቲ ድሕሪ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ፡ ብዘይ ኣገልግሎት ኢንተርነት ንሻዱሻይ መዓልቲ ኣብ እተቝጽር ዘላ ሱዳን፡ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ኣገልግሎት ኢንተርነት ክምለስ ብይን ሂቡ--ከም ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ። ካብ ተገልገልቲ ወገናት ድሕሪ ዝቐረበሉ ክሲ’ዩ ቤት ፍርዲ ነተን ሰለስተ ወሃብቲ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዝዀና ዛይን፡ ኤም.ቲ.ኣይን ሱዳኒን ዝተባህላ ትካላት ነቲ ምቍራጽ ኢንተነት ክምለሰኦ ወሲኑ ዘሎ። ዋላ’ኳ ሓያሎ ሱዳናውያን ብኢደ-ዙር ኣገልግሎት ኢንተርነት ክረኽቡ እንተጸንሑ፡ ንዝበዝሕ ተገልጋሊ ኢንተርነት ስለ ዝተዓጽወ ግን እቲ ወተሃደራዊ ክንፊ ንዝገብሮ ሰብኣዊ ጭፍጨፋ ጽቡቕ ሽፋን ከም ዝህብ ተሓለቕቲ ይጠቕሱ። ምቍራጽ ኢንተርነት፡ ንኣብ ዳርፎር ዝካይደ ዘሎ ቅልውላ ኣጋዲዱ ነቲ ብመንግስቲ ዝግበር ግፍዒ ስእነት ተሓታትነት ከም ዘፍቅድ’ውን እቶም ተሓለቕቲ ይውስኹ። ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ሓያሎ ስደተኛታት’ውን እዚ ስእነት ኢንተርነት ዓቢ ጸገም ከም ዝፈጠር ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ይጽብጽብ። ብጀነራል ዓብደል-ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወተሃደራዊ ክንፊ ዕልዋ መንግስቲ ድሕሪ ምግባሩ፡ ክሳብ ኣብ 2023 ዝግበር ምርጫ፡ ብሰብ-ሞያ ዝቖመ መንግስቲ ክምስርት ምዃኑ’ዩ ዝንገር። ክልተ ሰሙን ድሕሪ’ቲ ዕልዋ ግን ዛጊት እታ ሃገር ካቢነ ሚኒስተራት የብላን። ወደብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ንቐዳም’ውን ዓቢ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ሰሪዖም ምህላዎም ይነግሩ። ዕላማ’ቲ ንቐዳም ተታሒዙ ዘሎ ሰለማዊ ስልፊ “ምስ ወተሃደራዊ መሪሕነት ዘተ ኣየድልን፡ ሕጋዊ ኣካል’ውን ኣይኮነን” ዝብል’ዩ ክኸውን። ምቍራጽ ኢንተርነት ከኣ ንወደብቲ እቲ ሰልፊ ዓቢ ጸገም ፈጢሩሎም ከም ዘሎ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ይሕብር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6306640.html"} {"headline":"ኣቤል ሙሉጌታ ኣብ ዳላስ-ቴክሳስ ንቀዳማይ ምርጫ ኣባል ባይቶ ወካልቲ ህዝቢ ይወዳደር","content":"ኣቤል ሙሉጌታ ምሁር ሕጊ ኰይኑ፡ ኣብ ዳላስ-ቴክሳስ ንቀዳማይ ምርጫ ኣባል ባይቶ ወካልቲ ህዝቢ ዝወዳደር ዘሎ’ዩ። ብዛዕባ መደባቱ ኣዘራሪብናዮ ኣሎና፡ ንምሉእ ትሕዝቶ ንምስማዕ ኣብዚ መላግቦ ጠውቑ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6306621.html"} {"headline":"ብክልተ ኤርትራውያን መንእሰያት ዝተመስረተት‘“ናትና” ኣኒም ፕሮዳክሽን ‘ዝተሰመየት መበቆላዊት ናይ ኣኒሜሽን ጉጅለ","content":"ናኦድ ሚካኤልን ናትናኤል ሙሉሰውን ብዝተብሃሉ መንእሰያት ዝተመስረተት “ ናትና ኣኒም ፕሮዳክሽን” ዝተብሃለት ጉጅለ ፡ኤርትራዊ መብፕቆላዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ፊልምታት ተፍሪ ከምዘለ መስረታ ንቪኦኤ ገሊጾም። እዛ ሽውዓተ ኣባላት ዝሕቖፈት ጉጂለ መፍረ ፊልም፡ ቀንዲ ዕላማ ኣብ ኤርትራ ዓውዲ ኣኒሜሽን ፊልም ብምስፋሕ መበቆላዊ ፊልምታት ብምፍራይ ብደረጃ ኣህጉር ተፈላጥነቱ ንምስፋሕ ከምዝኾነ መስረታ ይዛረቡ። ነዚ ናይ ኣኒሜሽን ስራሕ ኣብ ርእሲ’ቲ ቀንዲ ስርሖም ኣብ ትርፊ ግዚኦም ከምዝዓይዎም ዝገለጹ መስረቲ ናይዛ ጉጅል ዝኾኑ መሃንድስ ናትናኤልን መንእሰይ ናኦድን ኣብዚ ሕጂ እዋን ብደረጃ ዓለም ዝተኣታተወ ምዕቡል ኣሰራርሓ ልዕሊ ሽውዓተ ፊልምታት ከምዘፍረዩ ገሊጾም ኣለዉ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6305086.html"} {"headline":"ሱዳናዊያን ደገፍቲ ዴሞክራሲ ፀረ ዕልዋ መንግስቲ ተቓውምኦም ቀፂሎም ኣለው","content":"ሱዳናዊያን ጉጅለታት ደገፍቲ ዴሞክራሲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ብምቅዋም ትማሊ ዝጀመረ ናይ ክልተ ማዕልታት ህዝባዊ ዘይምምእዛዝን ኣድማን ወቒዖም። ብመሰረት ፀብፃብ ሮይተርስ ኣዛዚ ሓይልታት ቅልጡፍ ወሃቢ ደገፍ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ምኽኑይ እዩ ክብሉ ገሊፆሞ ኣለው። ሓለቕኦም ጀነራል ዓብድል ፋታሕ ኣል ቡርሓን ነቲ ዝመፀ ህዝባዊ ለውጢ ንክቅፅልን ናይታ ሃገር ድሕነትን ምርግ ጋእን ንሕላውን እዮም ናይ መእረምታ ስጉምቲ ወሲዶም ክብሉ ብፌስቡክ ኣብዝተዘርግሐ መደረ ሓቢሮም። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ነቲ ዕላዋ መንግስቲ ዝቃወሙ ጉጅለታት ነቲ ብሓይሊ ምምንዛዕ ስልጣን ንምቕልባስ ናይ ተቓውሞታት ወፍሪ የዋድዱ ኣለው። ገለ ፀብፃባት ሚዲያ ከምዝሓበሩዎ ኣብ ዝተፈላለዩ ምብራቓዊ ከተማ ካርቱም 87 ሰባት ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/sudanese-pro-democracy-groups-launched-2-days-of-civil-disobediences-and-strickes\/6304789.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ናይ 12 ክፍሊ ሃገራዊ ፈተና ይካየድ ኣሎ","content":"91.5 ሚታዊ ዝኾኑ ተምሃሮ ናይ 12 ክፍሊ ሃገራዊ ፈተና ምውሳድ ምጅማሮም ምንስቴር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ዝተኸሰተ ግጭት ፈተና ዝይወሃበሎም ከባቢታት ዘሎ ኩነታት ተራእዩ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ፈተና ክወሃብ እዩ ኢሎም ናይቲ ምንስተሪ ምንስቴር ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ። ብኻሊእ ወገን ድማ ውግእ ኣብዘለዎም ከተማታት ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 33,000 ተምሃሮ ፈተና ከምዘይወስዱ ናይቲ ክልል ቢሮ ትምህርቲ ኣፍሊጡ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ግን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፀገም ፈተና ይካየድ ከምዘሎ ናይ ኣዲስ ኣበባ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን ይብል ፀብፃብ ፀሃይ ዳምጠው ካብ ኣዲስ ኣበባ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/grade-12-national-exam-is-undertaking-in-ethiopia\/6304778.html"} {"headline":"16 ሃገራት ናይ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላትን ኮሚሽን ሰብኣዊ ተፈፂሞም ዝብሃሉ መግሃስታት ንምምርማር ዘካየዱዎ ፃዕሪ ንኢደን","content":"ኣሜሪካ፣ብሪታኒያ፣ፈረንሳይ፣ጀርመን፣ካናዳ፣ኣውስትራሊያ፣ኣየርላንድን ካልኦትን ዝርከብኦ 16 ሃገራት ናይ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ግጭት ትግራይ ዝተሳተፉ ወገናት ፈፂሞምዎ ዝብሃሉ መግሃስታትን ጥሕሰታትን ሰብኣዎ መሰላት፣ከቢድ ጥሕሰታት ዓለምለኸ ሕጊን ዓለምለኸ ሕጊ ስደተኛን ንምምርማር ዘካየዱዎ ሓባራዊ ፃዕሪ ናእድአን ገሊፀን። እቲ ካብ ቤት ፅሕፈት ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ዝወፀ መግለፂ ንቦታት ምብፃሕን ንሰባትን ሰነዳትን ምርካብን ዓበይቲ ብድሆታት እንተነበሩ እውን ክልቲኦም ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዘካየዱዎ ዘይሻራዊን ግልፅን ስራሕ ንንእድ ይብል። ኣብ ተበፃሓይነት ቀፃሊ ዝኾነ ገደብ ምንባሩ ብኮሚሽነር ባቼሌት ዝተገለፀ ስኽፍታ እውን ኣስሚሮምሉ ኣለው። ትርጉም ዘለዎን ስርዓታዊ ተሓታትነትን ክረጋግፀ ወሳኒ ጉዳይ ምዃኑ ብምሕባር ኣብቲ ግጭት ዝተሳተፉ ኩሎም ወገናት ነቲ ውፂት ክቕበሉዎን ዝቐረቡ ምኽረ ሓሳባት ኣብ ግብሪ ከውዕሉን ብዕቱብ ነተባብዕ ይብል። ኣብ መወዳእታ እውን ናይ ኢትዮጵያ ምርግጋእ፣ሓድነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ንድግፍ ተፃብኦታት ጠጠው ንምባልን ኣብ ጉዳያት ሰላምን ድሕነትን ዘላቒ ፍታሕ ኣብ ምንዳይን ንዝገበሩ ፃዕርታት ምስ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኣፍሪካን ሕቡራት መንግስታትን ንምስራሕ ቅሩባት ኢና ይብል እቲ 11 ነጥብታት ዝሓዘ መግለፂ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/sixteen-countries-commend-united-nations-high-commissioner-for-human-rights-and-ethiopia-human-rights-commission-for-joint-investigation\/6304760.html"} {"headline":"ልኡኻት ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ምስ መራሕቲ ክልል ትግራይ ዘተ ኣካዪዶም","content":"ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሴጎን ኦቦሳንጆ ብሰንበት ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ተራኺብዮም ዘትዮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ጕዕዞ ኦብሳንጆ ናብ መቐለ ኵነታት ንምጽናዕን ድሕሪ ምምላሶም ንዝምልከቶም ኣካላት መብርሂ ንምሃብን ምዃኑ የመልክት። ወሃቢት ቃል ስቴት ሚኒስተር ዝዀነት ሰለማዊት ስዩም፡ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ ዕላማ ጕዕዞ ኦብሳንጆ ንዘተ ዘይምዃኑ ጠቒሳ። ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ግን ዝተፈልየ ርክብ’ውን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ማርቲን ግሪፍስን ብሰንበት ናብ ትግራይ ተጓዒዞም ምስ ዶክተር ደብረፅዮንን በቲ ኲናት ዝተሃስያ ወገናት ደቀንስትዮን ከም ዝተረኸቡ ተፈሊጡ ኣሎ። ሰንበት ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ግሪፍስ ብድሕሪኡ ጕዕዞኦም ንኣዲስ-ኣበባ ምቕጻሎም ካብ ቤት ጽሕፈቶም ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ። ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ህወሓትን ወሃቢ ቃል እቲ ውድብን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብትዊተርን ኣብ ዝዘርግሑዎ ሓበሬታ ርክብ ኦባሳንጆን ዶክተር ደብረጽዮንን ውጽኢታዊ ነይሩ ክብሉ ገሊጾም። ንዝርዝር ርክብ ክልተ ልኡኻት ኣመልኪቱ ዝወጸ መግለጺ ግን ዛጊት የሎን። እቲ ዝተኻየደ ዘተ ጠሚቱ ተወሳኺ መብርሂ ካብ ኣመራርሓ እቲ ክልል ይሓትት ከምዘሎ ካብ ከተማ መቐለ ሙሉጌታ ኣፅብሃ ፀብፂቡ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/olusegun-obasanjo-martin-griffiths-visit-mekelle\/6304728.html"} {"headline":"ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ኢትዮጵያውያን: ትማሊ ኣብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንመንግስቲ ቀዳማይ ሚስንተር ኣቢይ ኣሕመድ ዘለዎም ድጋፍ ገሊጾም","content":"ህወሓትን ደገፍቶም ዝሓለፈ ሰሙን ንሮይተርስ ክዛረቡ ከለዉ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 325 ኪ.ሜ ርሕቐት ኣለና ኢሎም ኔሮም። ብብዙሕ ኣሽሓት ዝቁጸሩ ኢትዮጵያውያን: ትማሊ ሰንበት :ኣብ ኣዲስ ናብ ዝርከብ ኣደባባይ ብምውጻእ : ንመንግስቲ ቀዳማይ ሚስንተር ኣቢይ ኣሕመድ ዘለዎም ድጋፍ ገሊጾም ኔሮም። ካብ መንጎ`ቶም ተሰለፍቲ ገሊኦም :ንኣመሪካ ዝኹንን ጭርሖታት የቃልሑ ኔሮም። እዚ ሰልፊ ዝግበር ዘሎ፡ እቲ ሓደ ዓመት ዘቑጸረ ኩናት ኣብ ዝሰፈሓሉ፡ ዕጡቓት ብሸነኽ ሰሜን ኣብ ዝገስገስሉን: ኣሸሓት ኣብ ዝሞትሉን እዋን`ዩ። ኣመሪካባይቶ ጸጥታ: ሕብረት ኣፍሪቃ ከምኡ`ውን ጎረባብቲ ዝኾና ከንያን ኡጋንዳን ለንቅነ ምቁራጽ ተኹሲ ክግበር ይጸውዑ`ምበር መንግስቲ ኣቢይ፡ ኣንጻር`ቶም ዕጡቓት ምውግኡ ከምዝቕጽል ኣፍሊጡ`ዩ። ዝሓለፈ ዓርቢ መንግስቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነታ ሃገር ናይ ምሕላው ሓላፍነት ከምዘለዎ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ኣህጉራውያን መሻርኽቲ ኣብ ጎኒ ደሞክራሲ ኢትዮጵያ ደው ክብሉ ጸዊዑ`ሎ። ኣብቲ ናይ ትማሊ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ዝተገብረ ሰለማዊ ሰልፊ ፡ሃገራዊ ባንዴራ ካብ ዝሓዙ ዜጋታት ገሊኦም ንኣመሪካ ነጺሎም ይነቕፉ ኔሮም። ምምሕዳር ባይደን ንኢትዮጵያ ብጃምላዊ ግህሰት መሰላት ብምኽሳስ ካብቲ ዕዳጋ ናጻ ቀረጽ ከውጽኣ መዲቡ ከምዘሎ ኣፍሊጡ`ዩ። ሕጂ ኣብቶም ሰልፈኛታት' ኣመሪካ ክትሓፍሪ ይግባእ` ዝብል ጭርሖ ይንበብ ኔሩ ። \"ዩኤስ ንደም ኢትዮጵያ ምምጻይ ይኣኽለኪ\" ዝብል`ውን ይቃላሕ ኔሩ። መንግስትን ህወሓትን ዘተ ክጅምሩ ኣመሪካ ምጽዋዓ`ውን ቁጥዕኦም ይገልጹ ኔሮም ካብቶም ኣደባባይ ዝወጹ ሰልፈኛታት። ኣብ ሰሜን `ታ ሃገር ኩናት ዝጀመረ፡ ሓይልታት ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ንዝነበረ መዓስከር ሰራዊት ምክልኻል ድሕሪ ምሓዞም`ዩ። ጓል 37 ዓመት ትእግስት ለማ፡ ካብ መንጎ`ቶም ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰልፊ ዝወጹ`ያ፡ \" መንግስቲ ኣመሪካ ደኣ ስለምንታይ`ዩ ከም ኣልሸባብ ምስ ዝበሉ ኣሸበርቲ ልዝብ ዘይገብር \" ክትብል ትሓትት። ከምቲ ንኣፍጋኒስታን ዝገበርዎ ንሃገራና ከፍርሱ ደልዮም`ዮም፡ ግን ኣይክዕወቱን`ዮም- ምኽንያቱ ንሕና ኢትዮጵያውያን ኢና\" ትብል ንሳ። ኣብቲ ሰልፊ ዝተዛረበት ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፡ ኢትዮጵያውያን ኣብ ልዕሊ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝገበርዎ ናይ መኸተ ታሪኽ እንዝክረሉ ግዜ ሕጂ`ዩ ክትብል ተዛሪባ። ኣብቲ ሰልፊ ዝተዛረበ ደርፍታቱ ንሓድነት ኢትዮጵያውያን ዝጽውዑ ፍሉጥ ሙዚቀኛ ታሪኩ ጋንኪሲ ብወገኑ፡ ንኩናት ዘይኮነ ንዕርቂ ንጸውዕ ዝብል መልእኽቲ`ዩ ኣመሓላሊፉ፡ መንእሰያት ናብ ግንባር ከይዶም ኣይምቱ፡ ዓበይቲ ቆጽሊ ሰላም ሒዞም ይኺዱ ብምባል' ብሽምግልና ይሓይሽ፡ ኣፍ-ሻምብቆ ብረት የብቃዕ ፍታሕ ኣይኮነን ኢሉ። ኣዋጅ ህጹጽ ሓደጋ ኢትዮጵያ ፡ ዕድሚኦም ንውትህድርና ዝኣኸለ ዜጋታት ወተሃደራዊ ግዴታ ክቕበሉ ወተሃደራዊ ስልጠና ክወስዱ ትእዛዝ ከመሓላልፍ ይኽእል`ዩ። ህወሓትን ደገፍቶም ዝሓለፈ ሰሙን ንሮይተርስ ክዛረቡ ከለዉ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 325 ኪ.ሜ ርሕቐት ኣለና ኢሎም ኔሮም። ሮይተርስ ግን ንስፍሓት ግስጋሰ ህወሓት ብናጻ ወገን ከረጋግጽ ኣይክኣልኩን ይብል። መንግስቲ ድማ እቲ ጉጅለ ንዓወታቱ የጋንኖ`ዩ ፡ ገለ ሚድያታት ድማ ናይ ሓሶት ወረ ተተሓሒዘንኦ ኣለዋ ይብል። ወሃቢት ቃል ኣቢይ ቢለነ ስዩም፡ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝግበር ዝተወሃሃደ ናይ ሚድያ ፕሮፓጋንዳ ይንህር ኣሎ፡ ይኹን`ምበር ኢትዮጵያ ብዓወት ክትሓልፎ`ያ ኢላ- ከም ጸብጻብ ሮይተርስ No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6304626.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ናብ ዱርኩኺት ጥፍኣት ትኣቲ ኣላ ክብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣጠንቂቑ","content":"ኢትዮጵያ ናብ ድርኩኺት ጥፍኣት ሰብኣዊ መሰላትን ሰብኣዊነትን ተምርሕ'ላ ክብልዓለም ለኸ ተሓላቂ መሰላት ኣምነስት ኢንተርናሽናል ሎሚ አጠንቂቁ። እቲ ጉጅለ ነዚ ዝበለ ብሰንክ'ቲ ምስ ጎንጺ ትግራይ ዝተተሓሕዘ ዘሎም ዕባለታትእዩ። 4- ሕዳር መንግስቲ ንሰብኣዊ መሰላት ዝቅይድን ንነጻነት ስርዓተ ፍትሒ ዘስግእን ሓድሽ ህጹጽ ሰልጣን ንርእሱ ሂቡ ዝበለ ኣምነስቲ ኢንተናሽናል ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝወጹ ዘርኣዊ ጎንጺ ዘተባብዑ ጽሑፋት ምውሳኾምን ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ሰላማውያን ሰባት ኣንጻር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ብረት ከልዕሉ ምጽውዖምን ዘሻቅል'ዩ ኢሉ'ሎ። ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ቅልውላው ሰብኣዊን ሰብኣዊ መሰላትን ናብ ካልእ ክፍሊ'ታ ሃገርተጋፊሑ ዝበለ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል : እቲ ኩነታት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ከይኸውንጠጠው ንምባል ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብህጹጽ ሰብኣዊ መሰላትን ዓለም ለኸ ሰብኣዊ ሕግታትን ምኽባሩ ከረጋግጹ ኣለዎም ኢሎም'ለዉ Deprose Muchena ኣብ ኣምስትኢንተርናሽናል ዳይሬክተር ምብራቅን ደቡባዊን ኣፍሪቃ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/sweeping-emergency-poer-power-and-alarming-rise-in-online-hate-speech-as-tigray-conflict-escalates-\/6301897.html"} {"headline":"ምንስቴር ፍትሒ ኢትዮጵያ ንምንስቴር ጉዳያት ወፃኢን ካልኦት ኣካላትን ብዛዕባ ግጭት ኢትዮጵያ መብርሂ ሂቦም","content":"ህወሓት ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምልኡ ብምሉእ እንተድኣ ዘውይወፂኡን የካይዶ ዘሎ መጥቓዕቲ ጠጠው ተዘየቢሉን ዝኾነ ይኹን ድርድር ክካየድ ከምዘይኽእል ምንስቴር ፍትሒ ኢትዮጵያ ዶክተር ጌዲዮን ጢሞትዮስ ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪቶም ንምንስቴር ጉዳይ ወፃኢን ካልኦት ትካላትን ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ገሊፆም። ህወሓት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታትን መጥቓዕቲ ንፍምፃም ይኣልም ከምዘሎ ጭቡጥ ናይ ድሕንነት ሓበሬታ ከምዝበፅሖም ዝገለፁ ንሶም ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ምእዋጁ ተወሳኺ ሓይሊ ንምውዳብ ዝሕግዝ እዩ ኢሎም። ብመርበብ ሓበሬታ በቨርችዋል ኣቢሉ ኣብዝተውሃበ መግለፂ ሓደ ዓመት ዘቑፀረ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ይካየድ ዘሎ ኵናት መንቀሊኡ ንምንስቴር ጉዳይ ወፃኢን ዓለምለኸ ሚዲያን መብርሂ ሂቦም ኣለው። ምስ ህወሓት ድርድር ንምክያድ እንተነኣሰ ‘'ህወሓት ንንፁሃን ዜጋታት የሳቕየሉ ካብ ዘለው ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ክወፅእ ኣለዎ።ብተወሳኺ ድማ እንተወሓደ ዝፀንሐ ህውከትን መጥቓዕትን ብድልየቱ ጠጠው ከብል ኣለዎ’’ኢሎም። ወሃቢት ቃል ቀዳማይ ምንስቴር ብል ለኔ ስዩም ብወገነን ‘’ፌደራል መንግስትን ህወሓትን ብማዕረ ምርይ ዝተጋገየ ኣመለኻኽታ ኣሎ፤ብዝኾነ ይኹን ኣብ መንጎ ተመሳሰልቲ ኣካልት ዝግበር ርክብ ተገይሩ ክውሰድ የብሉን ብሕገ መንግስቲ ሓላፍነት ዝተውሃቦ መንግስቲ እዩ።ብሕጊ ናይታ ሃገር ኣሸባሪ ዝተብሃለ ዕጡቕ ጉጅለ ብብቑዕ ዘይኹንን እዩ ‘’ኢለን ይብል ፀብፃብ ስመኝሽ የቆየ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/senior-ethiopian-government-officals-briefed-us-state-department-and-international-media-on-ethiopia-crisis\/6301889.html"} {"headline":"ምስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ኢትዮጵያ ግጭት ጠጠው ክብል ኣለዎ ኢሎ","content":"ናይ ኣሜሪካ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ናይ ኢትዮጵያ ግጭት ከብቅዕን ናይ ሰላም ልዝብ ክጅምርን ኣለዎ ኢሎም።ምንስቴር ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ሎማዕንቲ ዓርቢ ከምዝገለፁዎ ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ዘሎ ውግእ ከብቅዕ ኣለዎ ናይ ሰላም ድርድር ድማ ብዘይውዓል ሕደር ብዘይዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ክጅመር ኣለዎ ኢሎም ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሑዎ መልእኽቲ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/us-secretary-of-state-says-ethiopia-conflict-must-end-and-peace-negotiations-start\/6301874.html"} {"headline":"ደቡብ ኣፍሪቃዊ ጸሓፊ ደመን ጋልጎት ተዓዋቲ ሽልማት ስነ-ጽሑፍ ቡከር ኰይኑ","content":"ደቡብ ኣፍሪቃዊ ጸሓፊ ደሞን ጋልጎት ነቲ ድሕሪ ሽልማት ኖበል ስነ-ጽሑፍ ዓቢ ተቐባልነት ዘለዎ ሽልማት ቡከር ተዓዊቱ ኣሎ። ንጋልጎት ናብ ሽልማንት ዘብቅዓቶ “ዘ ፕሮሚስ” እትብል መጽሓፉ’ያ። ንሳልሳይ እዋኑ ነዚ ሽልማት ዝርቋሕ ዘሎ ጋልጎት : ልዕሊ 68-ሽሕ ዶላር ክሽለም እንከሎ፡ ስሙ ድማ ኣብ መስመር ቀዳሞት ተዓዋትቲ እዚ ውድድርን ዳሕራይ ድማ ሽልማት ኖበልን ዝዀኑ ደቂ ሃገሩ ናዲን ጎርዲመን ጂ.ኤም. ኮትዚን ይጽንብር ምህላዉ’ዩ። ጋልጎት ተዓዋቲ ምዃኑ ድሕሪ ምፍላጡ፡ “ተዓዋቲ እዚ ሽልማት ምዃነይ፡ እዚ ዓመት ንኣፍሪቃውያን ጸሓፍቲ ጽቡቕ ዓመት ኰይኑ ኣሎ። ነዚ ሽልማት ድማ ንስለቲ ዝተነገርን ገና ዘይተነግረን ዛንታታት አወፍዮ ኣለኹ። ኣነ’ውን ኣካሎም ዝዀንኩ፡ ዝተፈልጡን ገና ዝግበኦም ክብሪ ዘይረኸቡን ኣፍሪቃውያን ጸሓፍቲ ኣለዉ። ብዙሕ ዘይተነግረ ዛንታታት ስለ ዘሎ ድማ ምስማዕ ኣይተቋርጹ፡” ኢሉ ተዛሪቡ ሶማሊያ-እንግሊዛዊት ናዲፋ መሓመድ ካብቶም ናይ መጨረሽታ ሕጹያት ናይዚ ውድድር’ያ ነይራ። ዓሚ’ውን ብተመሳሳሊ ኢትዮጵያዊት-ኣመሪካዊት ማእዛ መንግስተ ንመጨረሽታ ሕጸ እዚ ውድድር በጺሓ ነይራ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/booker-prize-winner\/6300182.html"} {"headline":"ልኡኽ ዩ\/ስ ጄፍርይ ፊልትማን ናብ ኢትዮጵያ ክብገስ እዩ","content":"ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፈልትማን ሎሚ ናብ ኢትዮጵያ ይገይሽ ከምዘሎ ሚንስትሪ ወጻኣ ኣመሪካ ኣፍሊጡ። እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ዕጡቓት ተቓወምቲ ናብታ ርእሰ ከተማ ንግስግስ ኣለና ኣብ ዝብልሉን፡ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ህጹጽ ኣዋጅ ሓደጋ ኣብ ዝኣወጀሉን እዋን`ዩ። ቀዳማይ ሚስንተር ኢትዮጵያ ግን እቲ መንግስቲ ተዓዊቱ ከምዝወጽእ ርግጸኛ`የ ኢሉ`ሎ። ' ኢትዮጵያ ኣይክትፈርስን`ያ ኢትዮጵያ ክትብልጽግ`ያ ኢትዮጵያ ብደምን ኣዕጽምትን ደቃ ተኸቢራ ክትንበር`ያ ኢሉ ቀዳማይ ሚስንተር ኣቢይ። ፕረሲደንት ክልል ትግራይ ደብረጽየን ገብረሚካኤል ብወገኑ፡ ደለይቲ ኩናት ክቕጽልዎ ካብ ደለዩ ዘለና ኣማራጺ ንጸላእትና ብሓይሊ ምድምሳስ ጥራሕ`ዩ ኢሉ`ሎ። ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ወጻኢ ዩኤስ ነድ ፕራይስ፡ ኩሎም ተቐናቐንቲ ወገናት ነቲ ውግእ ደው ከብልዎን፡ ህይወት ዜጋታት ክሕልውን ንጽውዕ ኢሉ`ሎ። ኣተሓሒዙ፡ ናይ መገሻ መጠንቀቕታና ናብ ደረጃ 4 ኣደይብናዮ ኣለና፡ እዚ ማለት ድማ ዜጋታት ኣመሪካ ናብ ኢትዮጵያ ከይገሹ ንመክር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ዜጋታት ኣመሪካ ድማ ብዘለዋ ንግዳዊ ናይ መጓዓዝያ ተጠቒሞም ካብ ኢትዮጵያ ንምውጻእ ኣብ ግምት ከእትውዎ ንምዕድ ማለት`ዩ ኢሉ፡ ነድ ፕራይስ ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ትማሊ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ትዊተር መልእኽቲ፡ በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ምዕባለ ኣዝዩ ከም ዝተሻቐለ ገሊጹ`ሎ። ጉተረዝ ኣብ መልእኽቱ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ከም ዝተዛራረበን ቤት ጽሕፈቱ ድማ ነቲ ኲናት ደው ንምባል ኣብ ዝግበር ዘተ መገዲ ከጣጥሕ ድሉው ምዃኑን ንቀዳማይ ሚንስተር ከም ዝገለጸሉ ኣመልኪቱ ኣሎ። ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ኢትዮጵያ ንምብጻሕን ብዛዕባ ጕዕዞ ኣተሓባባሪ ምውህሃሃድ ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ምስ`ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከም ዝተዛራረቡን’ውን ጉተረዝ ኣብ መልእኽቲ ትዊተር ወሲኹ ጠቒሱ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/jeffrey-feltman-heading-to-ethiopia-after-tigray-focres-advance-from-dessie-and-kombolcha-to-addis-ababa\/6300089.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ 'ንጸላእትና ኣብ ዓሚቕ ቐቢርና:ኢትዮጵያ ካብ ምብትታን ድሒና ክትንስእ'ያ' ክብሉ ኣብ ዝክሪ ሓደ ዓመት ኲናት ክልል ትግራይ ተዛሪቦም","content":"ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንመበል ሓደ ዓመት ኩናት ክልል ትግራይ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝዘኸረሉ እዋን፡ ንጸላእትና ኣብ ዓሚቕ ቀቢርና፡ኢትዮጵያ ካብ ምብትታን ድሒና ዳግም ክትንስእ`ያ ክብል ተዛሪቡ። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዶ\/ር ኣቢይ ነቲ መደረ ዘስምዐ፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምምራሽ ኣብ ዝደናደንሉ እዋን`ዩ ይብል ። ኣብ 2019 ምስ ኤርትራ ሰላም ብምፍጣር ሽልማት ኖቤል ሰላም ዝተዓወተ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ምእዋጅ ህጹጽ እዋን ሓደጋ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ዋና ወተሃደራዊ ማእከል መደረ ኣብ ዘስምዓሉ እዋን \"ጸላእትና ብደምናን ኣዕጽምትናን ይቕበሩ`ምበር ኢትዮጵያስ ኣይክትበታተንን`ያ\" ኢሉ። ቅድሚ ሓደ ዓመት ከምዛ ሎሚ መዓልቲ ኩናት ዝተጀመረ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበረ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ድሕሪ ምጥቅዑ`ዩ። ከም ምላሹ ድማ ቀ\/ሚ ኣቢይ ሰራዊቱ ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣውፊሩ። ዳርጋ ን30 ዓመታት ንኢትዮጵያ ዝመርሐ ህወሓት፡ ስልጣኑ ዝሰኣነ፡ ድሕሪ ናይ ዓመታት ጸረ-መንግስቲ ተቓውሞታት፡ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ስልጣን ድሕሪ ምርካቡ`ዩ። ድሕሪኡ ምክሳስ ቀጺሉ: እቲ ዝተወልዐ ግጭት ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ቀቲሉ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣፈናቒሉ፡ ኣብዚ እዋን`ዚ ኣስታት ፍርቂ ሚልየን ሰባት ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ዓጸቦ ተፋጢጦም`ለዉ። ኩናት ናብ ክልተ ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ`ውን ልሒኹ፡ ነታ ካብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝቢ ካልአይቲ ዝኾነት ሃገር ኣብ ዘይምርግጋእ ኣውዲቑ። ትማሊ ሰሉስ ዝተዛረበ ኣቦ-መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሙሳ ፋቂ፡ እቲ ናህሪ ወተሃደራዊ ግጭት፡ ብዓሚቕ ከምዘሻቐሎ ድሕሪ ምግላጽ፡ ክልቲኦም ወገናት ናብ ዘተ ክኣትዉ ኣተሓሳሲቡ። ጎረቤት ሃገር ኬንያ`ውን ሃገራዊ ሓይሊ ፖሊሳ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘዳውብ ከባቢ፡ ጸጥታ ኣሐይሉ ከምዘሎ ኣፍሊጣ`ላ። ኢትዮጵያ`ውን ከም ኬንያ ኣብ ሶማል ኣንጻር ኢስላማዊ ኣልሸባብ ነቲ መንግስቲ ንምሕጋዝ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ኣለዉዋ ። ሕጂ መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ብኡ ንብኡ ዝትግበር ንሽዱሽተ ወርሒ ዝጸንሕ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣዊጁ`ሎ። እቲ ህጹጽ ኣዋጅ ዝስማዕ ዘሎ፡ ህወሓት ብርክት ዝበላ ከተማታት ኣብ ዝሓዘሉን ናብታ ኣስታት 380 ኪ.ሜ ርሒቓ ትርከብ ኣዲስ ኣበባ ምናልባት ክምርሽ`የ ኣብ ዝብለሉ ዘሎን እዋን`ዩ። ሕጂ እቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን፡ ዜጋታት ወተሃደራዊ ግዴታ ክቕበሉ መንግስቲ ክእዝዝ ዘኽእሎ`ዩ። ከምኡ`ውን ሰበ-ስልጣን ንዝኾነ ምስ ኣሸበርቲ ጉጅለታት ምትሕብባር ኣለዎም ኢሎም ንዝጥርጥርዎም ክኣስሩ ዘፍቅድ`ዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት፡ ንህወሓት ኣሸባሪ ጉጅለ ኢሉ መዲብዎ`ዩ። ድሕሪ ምእዋጅ`ቲ ህጹጽ እዋን፡ ተወላዶ ትግራይ ኣብታ ዋና ከተማ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይእሰሩ ከምዘለዉ ዝተፈላለየ ጸብጻባት ይሰማዕ `ሎ። ኣብ ሓደ ናይ ብሕቲ ክሊኒክ ትሰርሕ ሰበይቲ ንሮይተርስ ክትሕብር ከላ፡ ብሄር ተጋሩ ዝኾኑ ኣርባዕተ ዶክተራትን ሓንቲ ነርስን ትማሊ ሰሉስ ምሸት ብፖሊስ ተታሒዞም ክ ውሰዱ ርእየ ኢላ። ሓደ ሽሙ ንምጥቃስ ዝፈርሓ ነባሪ ከባቢ ቦሌ ድማ፡ ፖሊስ ኣብ ጽርግያ ሃንደበት ንሰባት ደው ኣቢሎም መለለዪ ካርድ ክሓቱ ርእየ ኢሉ። እቲ ናይ መንግስቲ ካርድ ሽም ብሄር ይገልጽ`ዩ። ሰለስተ ሰባት ክእሰሩ ርእየ ኢሉ፡ ። ሓንቲ ሰበይቲ ድማ፡ ኢንጅነር ሰብኣየይ ኣብ ጽርግያ ብተለፎን ትግርኛ ይዛረብ ስለ ዝነበረ ብፖሊስ ተታሒዙ ትብል። ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኮነ ወሃቢ ቓል መንግስቲ ብዛዕባ`ዚ ንሮይተርስ ምላሽ ክህቡ ኣይክኣሉን። ብኻልእ ወገን ሎሚ ንሮይተርስ ዝተዛረቡ ክልተ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ፡ ንጻውዒት ቀዳማይ ሚንስተር ብምስማዕ ናብቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከምዝጽንበሩን፡ ኣንጻሮም`ቶም ዓመጽ ዘልዓሉ ሓይልታት ትግራይ ከምዝዋግኡን ኣፍሊጦም ኣለዉ ይብል ሮይተርስ። \"ሃገር ክትህልወና ንደሊ ኢና ስለዚ ኩላትና ነቲ ናይ ክተት ጻውዒት ክንሰምዖ ኣለና\" ይብል ወዲ 28 ዓመት መርከብ ሺፈራው። ብሞያ ኢንጂነር`ዩ። ኣስዒቡ ገለ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ በቲ ኩነታት ዝጭነቑ ኣለዉ፡ እንተኾነ እታ ከተማ ሰላም`ያ ዘላ ይብል። ብኻልእ ወገን ብመሰረት ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ነታ ሃገር ካብቲ ካብ ቀረጽ ናጻ ዝገብር ዕዳጋ ኣመሪካ ከውጽኣ መዲቡ ምህላዉ ድሕሪ ምግላጹ ሎሚ ረቡዕ ውሕስነት ዓቕሚ ክፍሊት ዶላር ኢትዮጵያ ፡ ዛጊት ናብ ዝተሓተ ወሪዱ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8C%B8%E1%88%8B%E1%8A%A5%E1%89%B5%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%88%9A%E1%89%95-%E1%89%90%E1%89%A2%E1%88%AD%E1%8A%93-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%89%B5%E1%89%B3%E1%8A%95-%E1%8B%B5%E1%88%92%E1%8A%93-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%8A%A5-%E1%8B%AB-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8A%AD%E1%88%AA-%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/6298451.html"} {"headline":"ኣመሪካ ኣስታት 1.5 ሚልዮን ክታበት ቫይረስ ኮሮና ንኢትዮጵያ ለጊሳ","content":"ኣመሪካ ንኢትዮጵያ 1,552,590 ክታበታት ኮቪድ19 ከምዝለገሰት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ። ኣመሪካ ንኢትዮጵያ እዞም ክታበታት ዝለገሰት፣ ዋላ ሓንቲ ፖለቲካዊ ምትእስሳር ከየንበረት፣ ህይወት ሰብ ንምድሓን ካብ ዘለዋ ተገዳስነት ከምዝኾነ’ውን እቲ መግለጺ ጠቂሱ ኣሎ። ብመሰረት መግለጺ ኣመሪካ ኣመሪካ ካብ ወርሒ ሓምለ ንደሓር ኣብ ዘሎ ጊዜ፣ ንኢትዮጵያ ኣስታት ኣርባዕተ ሚልዮን ክታበታት ኮቪድ19 ከምዝለገሰት ኣፍሊጡ። እዚ ዳሕረዋይ ልግሲ ክታበት ጸረ ኮቪድ19፣ ኣመሪካ ንሓንቲ ሃገር ካብ ዝሃበቶ እቲ ዝበዝሐ ክታበት ከምዝኾነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-1-5-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%89%B3%E1%89%A0%E1%89%B5-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8A%95%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%88%E1%8C%8A%E1%88%B3\/6297273.html"} {"headline":"ዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተአወጀ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ከምዘተሓሳስቦም ተሓቢሩ","content":"ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረስ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ግጭትን ምዕባለታትን ከምኡ'ውን ዝተአወጀ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ከምዘተሓሳሰቦም ወሃቢ ቃሎም ስቲቨን ዱጃሪክ ይገልጹ። \"ምርግጋእ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ድማ እቲ ዞባ ኣብ ኣተሓሳሳቢ ደረጃ'ዩ ዘሎ:\" ስለዝኾነ ድማ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ደጊሞም ንምቁራጽ ተጻብኦታት: ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝን ህጹጽ ናይ ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ክባጻሕ: ነቲ ቀውሲ ንምፍታሕን ንሰላምን ምርግጋእን'ታ ሃገር መሰረት ንምንባር ኩሉ ሓቖፍ ሃገራዊ ዘተ ክካየድ ይጽውዑ:: ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%8A-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%A0%E1%8B%88%E1%8C%80-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%8C%85-%E1%88%85%E1%8C%B9%E1%8C%BD-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%B3%E1%88%B5%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6297265.html"} {"headline":"መግለጺ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ","content":"ውሕሰነት ጸጥታ ኢትዮጵያ በብእዋኑ እናኸፍአ ይኸይድ ብምህላዉ ዝተሻቐለ፡ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዜጋታቱ መልእኽቲ የሕሊፉ ኣሎ። መግለጺ ኤምባሲ ኣመሪካ ከም ዘነጽሮ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘእቱ ሓደ ዓቢ መስመር ብምዕጻዉ ንምንቅስቓስ ኣዝዩ ሓጻሪ ኮይኑ ኣሎ። እቲ መግለጺ ወሲኹ’ውን ኣባላት ቤት ጽሕፈቱ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ ከይንቀሳቐሱ ከም ዝተደረቱ ኣመልኪቱ ኣሎ። ናብ ኢትዮጵያ ክጓዓዙ ንዝመደቡ ዜጋታት ኣመሪካ ዳግም ክሓስቡሉ ዘዘኻኸረ እቲ መግለጺ፡ ነቶም ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘለዉ ዜጋታት ኣመሪካ’ውን ካብታ ሃገር ንምውጻእ ዘድሊ ምቅርራብ ክገብሩ ኣሚቱ። ንድሕነት ዜጋታቱ ኢሉ’ውን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዜጋታት ኣመሪካ ህልውናኦም ከመዝግቡ ኣዘኻኺሩ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%A4%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-\/6297075.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ህጹጽ ናይ ሓደጋ ግዜ ኣዊጁ","content":"ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኢትዮጵያ ኣብ መላእ'ታ ሃገር ንሽዱሽተ አዋርሕ ዝጸንሕ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ። \"ኣብ ህልውና ሃገርን ሉአላዊነትን ዝመጸ ሓደጋ ንምክልኻል\" ብዝብል ኣርእስቲ ብኣዋጅ 5\/2014 ዝጸደቐ ውሳነ \"መምርሒ እዚ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣብ ህልውና ሃገርን ሉኣላዊነት ከምኡ'ውን ድሕነት ሰላማዊያን ሰባት ኣገዳሲ ምዃኑ ብምእማን ኣብ ዝኾነ ናይታ ሃገር ክፍሊ ሰራዊት ምክልኻል ወይ ናይ ጸጥታ አካላት ብምውፋር ሰላም ጸጥታን ከኽብሩ ትእዛዝ ከምዝህብ\" ይገልጽ። እቲ ኣዋጅ ወሲኹ ሰዓታት እቶ እቶ:ናይ ህዝቢ መራኸቢ መስመራትን መጉዓዝያን ክዕጸው ወይ'ውን ክቋረጽ ዝብል ትእዛዝን ክህብ ከምዝክእል ውሳነ ኣሕሊፉ'ሎ። እቲ ኣዋጅ ካልእ ዝርዝር ሓበሬታት'ውን ዝሓዘ'ዩ። እቲ ብመገዲ መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ፋና ኣቢሉ ዝተዘርግሐ ዜና፡ ክልተ መዓልታት ድሕሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዜጋታት ብረት ኣልዒሎም፡ ኣንጻር’ቶም “ኣሸበርቲ” ኢሎም ዝጽውዕዎም ሓይልታት ነብሶም ክከላኸሉ ምሕባሮም'ዩ። ብመሰረት ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ነባሮ ኣዲስ ኣበባ፡ ብረት ዘለዎም ክምዝገቡን ነብሶም ንምክልኻል ክቕረቡን ብሰብ-መዚ ሎሚ ሰሉስ መምርሒ ተዋሂቡ ኣሎ። ኢትዮጵያ ከምዚ ዝመስል ናይ ህጹጽ ሓደጋ ዝኣወጀት ኣብ ለካትቲ 2018 ቅድሚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምምጻኦም’ዩ። ኣብቲ እዋን ሰዓታት እቶ-እቶ’ውን ተኣዊጁ ነይሩ። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ከም ዘመልከቶ፡ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናብ መንበሪ ኣባይቲ እናዞረ ዜጋታት ብረቶም ከመዝግቡን ብኸባቢኦም ክጥርነፉን መምርሒ ኣሕሊፉ ኣሎ። ከም መግለጺ እቲ ምምሕዳር፡ ኣብ እዋን ተፍትሽ፡ “ኣሸገርቲ” ዝተባህሉ ከም ዝኣሰረ'ውን ኣመልኪቱ ኣሎ። ብመሰረት ትእዛዝ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብረት ዘለዎም እሞ ባዕላቶም ኣከባቢኦም ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ምድላዋት ክስለፉ ዓቕሚ ዘይብሎም፡ ብረቶም ንመንግስቲ ከረክቡ ምሕጽንታ ቀሪቡሎም ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%85%E1%8C%B9%E1%8C%BD-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B-%E1%8C%8D%E1%8B%9C-%E1%8A%A3%E1%8B%8A%E1%8C%81\/6296835.html"} {"headline":"ፕረዚደንት ባይደን ንኢትዮጵያ፡ ማሊን ጊኒን ካብ ሓገዝ ኣጎዋ ሰሪዞም","content":"ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ሎሚ ሰሉስ ናብ ባይቶ ሃገሮም ኣብ ዝለኣኹዎ ደብዳበ፡ ንሰለስተ ሃገራት ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ ማለት ኢትዮጵያ፡ ማሊን ጊኒን ካብ “ስምምዕ ንዕብየትን ዕድላትን ኣፍሪቃ” (ኣጎዋ) ከም ዝሰረዙ ኣፍሊጦም። ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ጽሑፎም እዘን ሰለስተ ሃገራት ብዝገበረኦ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ነቲ ስምምዕ ዘፍርስ ብምዃኑ ካብቲ ዕድላት ክኣልዩዎን ከም ዝወሰኑ ኣፍሊጦም። ብመሰረት ጽሑፍ ፕረዚደንት ባይደን ንኢትዮጵያ ካብቲ ውዕል ክትስረዝ ዘገደዳ በቲ ዝፍጸም ዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ክኸውን እንከሎ፣ ንጊኒ ድማ ናብ ቅዋማዊ መንግስቲ ንምስጋር ዝተራእየ ጻዕሪን ተበግሶን ስለ ዘየለ፡ ማሊ’ውን ብተመሳሳሊ ድሕሪ ዕልዋ መንግስቲ ናብ ህዝባዊ መንግስቲን ንምስግጋር ብዛዕባ ዘሎ ሃጓፍ’ዩ፡። እቶም ፕረዚደንት ወሲኾም፡ መንግስቶም ምስ ሰለስቲአን ሃገራት ንሰለማዊ ስግግርን ዝሓሸ ድሕነትን፡ ጽምዶ ክገብር ደኣ ይጽናሕ እምበር፡ ዛጊት ውጽኢት ከም ዘይተረኽቦ ኣመልኪቶም። “ስለዚ” ከኣ ይብሉ እቶም ፕረዚደንት፡ ካብ ትማሊ 1 ሕዳር: 2021 ኣትሒዞም ንሰለስቲአን ሃገራት ካብቲ ረባሕቲ እቲ ሓገዝ ምዃን ከም ዝሰረዙወን፣ ምናልባት ኣብ ከይዲ ምምሕያሽ ምስ ዘርእያ ድማ ዳግም ክጽንበራ ዝኽእላ እንተዀይነን ከጽንዑ ምዃኖምን ኣፍሊጦም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%8B%B0%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9B%E1%88%8A%E1%8A%95-%E1%8C%8A%E1%8A%92%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%A3%E1%8C%8E%E1%8B%8B-%E1%88%B0%E1%88%AA%E1%8B%9E%E1%88%9D\/6296659.html"} {"headline":"'ሓይሊ ጸላኢ ናትና ሕምቀት’ዩ' ቀ\/ሚኒስተር ኣቢይ","content":"ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘራኽብ ዓበይቲ መስመራት ብሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ሓርነት ናጽነት ኦሮሞን ከም ዝተታሕዘ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ነቶም ኣሸበርቲ ዝብሎ ጸላእቲ ንምክልኻል ኵሉ ዜጋ ጻዕሩ ዕጽፊ ክገብር ጸዊዖም። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ጃምላዊ ማእሰርቲ’ውን ይውስኽ ምህላዉ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ጸብጺቡ። ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘአንፍት ዘሎ ኲናት፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ዓመት ኣብ ዝመልኣሉን ህይወት ኣሽሓት ሰባት ኣብ ዝቐዝፈሉን እዋን’ዩ። ብዛዕባ’ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ዝገበሩዎ ህዝባዊ ጻውዒት፡ ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝዀነት ቢልለኔ ስዩም፡ ብኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ተሓቲታ፡ “እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ዝበሉዎ እቲ ክዉን’ዩ፡ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ንሱ ስለ ዝዀነ፡” ክትብል መሊሳ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ብሰንበት ኣብ ዝሃቡዎ ናይ ክተት ጻውዒት ቃል፡ ሰራዊቶም ብኣርባዕተ ግንባራት ይዋጋእ ከም ዘሎ ድሕሪ ምሕባር፡ “ናይ ጸላኢና ቀንዲ ሓይሊ፡ ናትና ሕምቀትን ዘይምድላውን’ዩ፡” ክብሉ ገሊጾም። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ድማ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ፡ ንተወላዶ ትግራይ ብፍሉይ ዘተኰረ ጃምላዊ ግፋ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተራእየ ተፈሊጡ ኣሎ። ወሃብ-ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ ብዛዕባ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ግፍ ኣመልኪቱ፡ “እቶም መንግስቲ ተዳኺሙ’ዩ፡ ሓይልታት ትግራይ ድማ ይመጹ ኣለዉ ኢሎም ዝኣምኑ ክጥንቀቑ ኣለዎም። ገሊኣቶም እሞ እንኮላይ ኣብ ለይታዊ ትልሂት ከይዶም’ዮም ጸንቢሎም። መንግስቲ ከኣ ነዚ ኣመልኪቱ ስጕምቲ ይወስድ ኣሎ፡” ክብል ገሊጹ። ፈደራላዊ መንግስቲ ደኣ ነቲ ዜና ይንጸጎ እምበር፡ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ከም ዘለዋ ሓይልታት ትግራይ ይገልጹ። ወሃብ ቃል ለገሰ ቱሉ ድማ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ኮምቦልቻ 100 መንእሰያት ከም ዝቐተሉ ይኸስስ። ኣመሪካ: ሓይልታት ትግራይ ብዝገበሩዎ ዘለዉ ምቍጽጻር ከተማታት ስክፍታኣ ትገልጽ ኣላ። ጸሓፊ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ሎሚ ኣብ ዝዘርግሑዎ ሓጺር ናይ ትዊተር መልእኽቲ፡ መንግስቶም ብምትሓዝ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ከም ዝሰንበደ ድሕሪ ምግላጾም፡ ምንዋሕ እቲ ኲናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝርአ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልዋል ዘጋድድ’ዩ ኢሎም። ንሶም ኣስዒቦም ኵላቶም ኣካላት ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣቋሪጾም ናብ ብዘይ ቅድመ-ኵነት ዘተ ክኣትዉ ጸዊዖም። ይዅን እምበር፡ ካብ ላዕለዎት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ትግራይ ዝዀኑ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ምስ ቴለቪዥን ትግራይ ኣብ ዝገበሩዎ ቃለ-ምልልስ ምስ መንግስቲ ዘተ ክግበሩ ድሉዋት ዘይምዃኖም ምምልካቶም ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ጸብጺቡ። ሓይልታት ትግራይ ምስ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ተላፊኖም ዝተወሃሃደ መጥቃዕቲ ይገብሩ ምህላዎም’ውን ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ኣመልኪቶም ኣለዉ። ብኣገላልጻ ሓይልታት ትግራይ እቲ ዝገብሩዎ ዘለዉ ኲናት ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተስገዲዱ ዘሎ መሸንቆቓን ምዕጻው መገድታትን ኣፍደገ ንምኽፋት’ዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ፡ ኵሉ ዓቕሚ መንግስቲ ናብቲ ኲናት ክቐንዕን ካልእ ንጥፈታት ክውንዘፍን ሓቢሮም ኣለዉ። ድሕሪ ሰዓት 8፡00 ምሸት ኣብ ከተማታት ዝገበር ምንቅስቓሳት’ውን ደው ክብል ትእዛዝ ከም ዝሓለፈ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ኣመልኪቱ'ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%8C%B8%E1%88%8B%E1%8A%A2-%E1%8A%93%E1%89%B5%E1%8A%93-%E1%88%95%E1%88%9D%E1%89%80%E1%89%B5-%E1%8B%A9-%E1%89%80-%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A2%E1%8B%AD\/6295452.html"} {"headline":"ቃለ ምልልስ ኣብ ጉዳይ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት","content":"ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓያሎ ምዕባለታት ይረኣየሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ንፖለቲካዊ ምዕባለ’ቲ ዞባ ኣመልኪትና ምስ ኣቶ ዘርእስላሴ ረድኢ ሽከር አዘራሪብናዮም ኣለና። ዘርእስላሴ ኣቐዲሙ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዝሰርሕ ዝነበረ ኮይኑ፡ ዳሕራይ’ውን ቆንስል ኮይኑ ኣብ ናይ ደገ ተልእኾ ዝነበረን ምሁር ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠትን ኣፈታትሓ ግጭታትን እዩ። ነቲ ቃለ-ምልልስ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%88%8D%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%80%E1%88%AD%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%8A%A0-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%89%A3%E1%88%88%E1%89%B3%E1%89%B5\/6295471.html"} {"headline":"ተራ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ እዋን ግጭት","content":"ዶክተር ሙሴ ተስፋጊዮርጊስ ካብ ዊኒፔግ ካናዳን ገብረክስርቶስ ገብረስላሴ ካብ ኣምስተርዳም ኔዘርላንድስን ኣሉታውን ኣወንታውን ተራ ማሕበራዊ ሚዲያን ተኣሳሰርቲ ነጥብታትን ብዝምልከት ሓሳባቶም ኣካፊሎምና ኣለው። ምሁር ታሪኽ ዶክተር ሙሴ ኣብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርስታት ንዓሰርተ ዓመታት ዝመሃረን ኣብ ምምሕዳር ዊኒፔግ ካናዳ ኣማኻሪ ጉዳያት ስደተኛታት ን እዩ። ገብረክርስቶስ ገብረስላሰ ድማ ተመራማራይ ስነ ልሳን ኮምፒተር ሳይንስን ኮይኑ ኣብ ሕብረተሰብን ማሕበራዊ ሚዲያን ኣድሂቡ የፅንዕ። ምስ ምጅማር ኲናት ትግራይ ተኣሳሲሩ ፅሑፋን መረዳእታታትን ዝወፀላ Tghat.com ትብሃል መርበብ ሓበሬታ ከም ዝመስረተ’ውን ይሕብር። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ካልኣይ ክፋል'ቲ ዘተ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%88%AB-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9A%E1%8B%B2%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5\/6287905.html"} {"headline":"ሓይልታት ትግራይ ንስትራተጂካዊት ከተማ ደሴ ተቆጻጺርናያ ኢሎም","content":"ሓይልታት ትግራይ ሎሚ ቀዳም ንስትራተጂካዊት ከተማ ደሴ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከምዝተቆጻሩዋ ኣፍሊጦም። በቲ ይጋፋሕ ዘሎ ውግእ ዝተፈናቀሉ ዓሰርተታት ኣሻሓት ኣምሓሩ ዘዕቆቡላ ከተማ እያ ከተማ ደሴ። ተዋጋእቲ ትግራይ ንሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ’ታ ከተማ ደፊኦም ኣብ’ዚ እዋን ድማ ናብ ከተማ ኮምቦልቻ ይምርሹ ከምዘለው ወሃቢ ቃል ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ጌታቸው ረዳ ንትካል ዜና ሮይተርስ ካብ ዘይንጹር ከባቢ ኮይኑ ብናይ ሳተላይት ቴለፎን ገሊጹ። ንሱ ክዛረብ ከሎ ‘ሓይልታት ትግራይ ንብዙሓት ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝማረኹ’ውን’ ጠቂሱ። እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ ‘ግብረ መልሲ ንክህብሉ ዝተገብረ ፈተነ ዛጊድ ኣይሰለጠን’ ዘሎ። ሮይተርስ ነቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ኣሸባሪ’ ዝባሃል ህወሓት፣ ንኩነታት ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ፣ ካብ ናጻ ኣካል ከረጋግጽ ኣይካኣለን። ኣብ ደሴ ኮይኑ ሪኢቶኡ ዝሃበ ሓደ መምህርን ካልእ ነባሪ’ታ ከተማን ግና ‘ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ቀዳም ንጉሆ ጀሚሮም ካብ’ታ ከተማ እናወጹ ከምዝተዓዘቡ፣ ከምኡውን መብራህቲ’ታ ከተማ ካብ ትማሊ ዓርቢ ጀሚሩ ከምዝጠፍአ’ ሓቢሮም። ክልቲኦም ወሃብቲ ሪኢቶ ‘ሓይልታት ትግራይ ኣብ’ታ ከተማ ኣትዮም ዝብል ሓበሬታ ከምዝሰምዑ ግን ብዓይኖም ከምዘይራኣዩን’ውን’ ገሊጾም። ደሴ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምውዳቃ ነቶም ን ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ክልል ኣምሓራ ደፊኦም ንምውጻእ ይዋግኡ ዘለው ሓይልታት ትግራይ ስትራተጂካዊ ረብሓ ክህልዎ እዩ። ደሴ ካብ ኣዲሳበባ 385 ኪ\/ሜ ርሒቃ ትርከብ ከተማ እያ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/tigray-forces-seized-strategic-town-dessie-amhara-region-\/6292002.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ኣብ ጉዳይ መንሽሮ ጡብ","content":"ኣብዚ ወርሒ ጥቅምቲ ዝዝከር ናይ ጡብ ካንሰር ብዝምልከት ናይ ጡብ መንሽሮ ከምዘለዋ ቕድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ዝፈለጠት ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ካብቲ ሕማም ናጻ ዝኾነት ኣደ ስለስተ ቆልዑ ወ\/ሮ ኤደን ብርሃነ ብዛዕባ ናይ ህይወት ተመክሮኣን ኣብቲ ነቲ ሕማም ዝፈለጠትሉ እዋን ዝነበረ ኩነታትን ከምኡ'ውን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ኣብ ምዕባይ ትሰርሖም ስርሓት ዝምልከት ኣዘራሪብናያ አለና::","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%88%BD%E1%88%AE-%E1%8C%A1%E1%89%A5-\/6291446.html"} {"headline":"መላፍንቲ ድምጺ ኣመሪካ ዝዀነት “ኣሃዱ ረድዮ” ናይ ደገ ፈነወ ከተቋርጽ መምርሒ ተዋሂባ:ድምጺ ኣመሪካ ምላሽ ሂቡ","content":"በዓል መዚ መራኸቢታት ኢትዮጵያ ሎሚ ዓርቢ ነታ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ናይ ስራሕ ዝምድና ዝነበረ ኣሃዱ ረድዮ ምስ ደገ ዘለዋ ርክብ ከተቋርጽ መምርሒ ሂቡ። ኣብቲ ብሓላፊ በዓል መዚ መራኸቢታት ናብ ኣሃዱ ረድዮ ዝተላእከ ምኽንያት ደኣ ኣይግለጽ እምበር፡ እታ ረድዮ ኪንዮ ዝቖመትሉ ዕላማ ትኸይድ ምጽናሓ እቲ ደብዳበ ይገልጽ። ብመሰረት ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፡ እቲ ብደገ ዝመጸ ናይ ምቍራጽ መምርሒ ንፈነው ድምጺ ኣመሪካ’ውን ዝምልከት’ዩ። እቲ መምርሒ እታ ናይ ኤፍኤም ረድዮ ኣሃዱ፡ ኪንዮ’ቲ ዝቖመትሉ ናይ ምዝንጋዕን ምሕባርን ተልእኾ ሰጊራ ንፈነወ ድምጺ ኣመሪካ ምእንጋዳ ብፍሉይ ጠቒሱ ኣሎ። እቲ መምርሒ ግዜያዊ ድዩ ወይስ ንዅሉ ግዜ ዝተፈልጠ የለን። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ዳይሬክተር ድምጺ ኣመሪካ ንስጉምቲ በዓል መዚ መራኸቢታት ኢትዮጵያ ምላሽ ሂበን ኣለዋ:: በዓል መዚ መራኸቢታት ኢትዮጵያ ኣሃዱ ሬድዮን ቴሌቭዥንን ንፈነወ ድምጺ ኣመሪካ ከየመሓላልፍ ምእዛዙ ከምዘሕዘነን ዝገለጻ ዳይሬክተር ድምጺ ኣመሪካ ዮላንዳ ሎፓዝ: ድምጺ ኣመሪካ ቅኑዕ: ሚዛናዊን ሓፈሻዊን መምርሒታት ሞያ ጋዜጠኛነት ከምዝስዕብ ብምግላጽ ትሕዝቶ ፈነወ ድምጺ ኣመሪካ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣገዳሲ ጉዳያት ዝሓዘ ምዃኑ ገሊጸን:: ብተወሳኺ እቲ መምርሒ ንናጻ ምትሕልላፍ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝዕንቅፍ ንናጽነት ፕረስ ዘጎድእን'ዩ:: በዓል መዚ መራኸቢታት ኢትዮጵያ ንውሳነኡ ዳግማይ ግምት ክገብረሉ ድማ ንጽውዕ ክብላ ዳይሬክተር ድምጺ ኣመሪካ ምላሽ ሂበን ኣለዋ:: ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%8B%E1%8D%8D%E1%8A%95%E1%89%B2-%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8B%9D%E1%8B%80%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%83%E1%8B%B1-%E1%88%A8%E1%8B%B5%E1%8B%AE-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%B0%E1%8C%88-%E1%8D%88%E1%8A%90%E1%8B%88-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%89%8B%E1%88%AD%E1%8C%BD-%E1%88%98%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%92-%E1%89%B0%E1%8B%8B%E1%88%82%E1%89%A3-%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%BD-%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8A%95\/6291424.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ሶማል ብሰንኪ ደርቂ 83 ሽሕ ነበርቲ ተጸበይቲ ረድኤት ክኾኑ ምግዳዶም ተገሊጹ","content":"ኣብ ዞባ ዳዋ ክልል ሶማሌ ብሰንኪ ዘጋጠመ ደርቂ፣ ኣስታት 25 ሽሕ ጥሪት ምሟተን ተገሊጹ። ብዘይካ'ዚ፣ ልዕሊ 83 ሽሕ ሰባት ተጸበይቲ ረድኤት ኮይኖም ኣለው። ክልላዊ መንግስቲ፣ ቀረብ ዝስተ ማይን ቀለብ ጥሪታትን ይልግስ ከምዘሎ ዝረኸብናዮ ዜና ጠቂሱ። ቢሮ ምክልኻል ሓደጋን ድልውነትን’ቲ ክልል ብሰንኪ’ቲ ደርቂ ዝተጎድኡ ረድኤት እንተዘይበጺሑሎም፣ ብዝሒ ዘለዎም ጥሪትን ሰብን ክሞቱ ከምዝኽእሉ ገሊጾም ኣለው። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%89%82-83-%E1%88%BD%E1%88%95-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%8C%B8%E1%89%A0%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%88%A8%E1%8B%B5%E1%8A%A4%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8A%BE%E1%8A%91-%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%8B%B3%E1%8B%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9-\/6291179.html"} {"headline":"ደብዳብ ነፈርቲ ከተማ መቐለ ሽዱሽተ ሰለማውያን ሰባት ምቕታሉን 21 ምቑሳሉን ምንጭታት ሆስፒታል መቐለ ሓቢሮም","content":"ሎሚ ሓሙስ ረፋድ ኣብ ከተማ መቐለ፡ ክፍለ-ከተማ ሰሜን፡ ጣብያ ኢንዳስትሪ ኣብ ዝተባህለ መንበሪ ኣባይቲ፡ ብዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ዛጊት ሰለስተ ህጻናት ዝርከቡዎም ሽዱሽተ ሰለማውያን ዜጋታት ከም ዝተቐትሉን ካልኦት ድማ 21 ከም ዝቖሰሉን ንሓለፍቲ ሕክምና መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ብምውካስ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ከተማ መቐለ ሓቢሩ። ወሃብ-ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶ\/ር ለገሰ ቱሉ ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ከም ዝሓበሮ፡ ዒላማ እቲ ደብዳብ ንወተሃደራዊ መተዓራረዪን መስርሒን ኲናት ዝውዕል ስፍራ ምዃኑ ኣመልኪቱ`ሎ። ብመሰረት ሓበሬታ’ቲ ወሃብ-ቃል እቲ መጥቃዕቲ መቐጸልታ ናይቲ ዝሓለፈ እዋን ንመስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጂነሪንግ ዝዓለመ’ዩ። ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ፡ ንወሃብ-ቃል ትግራይ ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ድማ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሰለማዊ ህዝቢ’ዩ ውዒሉን ጎዲኡን ይብል። ብኻልእ ወገን ሚኒስትር ኮምኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣማስይኡ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ትካል መስፍን ኢንጂነሪንግ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ኣረጋጊጹ`ሎ። ብዛዕባ ኣብ ሰባት ወሪዱ ዝተባህለ ጉድኣት ሓበሬታ ከምዘይብሉ ዝገለጸ፡ ዶ\/ር ለገሰ ቱሉ፡ ሰራዊት መንግስቲ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኩናት የቐንዖ ከምዘሎን፡ በንጻሩ ሓይልታት ትግራይ ንማሕበረ-ሰብ ዓለምን ንሚድያን ንምድንጋር፡ ናብ ቅድሚት ይደፍኡ ከምዘለዉ ዝገልጽ ናይ ሓሶት መረዳእታ ይምግብኦም ኣለዉ ክብል ነቒፉ። ብኻልእ ወገን፡ ናይ መቐለ ወኪላት ድምጺ ኣመሪካ ’ውን ኣብቲ ቦታ መጥቃዕቲ ከይዶም ብዓይኒ ከም ዝተዓዘቡዎን፡ በቲ ደብዳብ መንበሪ ኣባይቲ ፈሪሱ ህሩማትን ሬሳታትን ንምውጻእ ከቢድ ስራሕ ከም ዝነበረ ኣመልኪቶም ኣለዉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%89%A5-%E1%8A%90%E1%8D%88%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%88%BD%E1%8B%B1%E1%88%BD%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%9B%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%B3%E1%88%89%E1%8A%95-12-%E1%88%9D%E1%89%91%E1%88%B3%E1%88%89%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%8C%AD%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%86%E1%88%B5%E1%8D%92%E1%89%B3%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/6289471.html"} {"headline":"አዲስ አበባ: ፖሊስ ንክልተ ጋዜጠኛታት አሃዱ ሬድዮ ምእሳሩ ተፈሊጡ","content":"ካብ ኣሸባሪ ውድብ ተልእኮ ብምቕባል ኣብ ምንቅስቓስ ተዋፊሮም ብዝብል ጥርጣረ ፖሊስ ንክልተ ጋዜጠኛታት ኣሃዱ ሬድዮ ኣሲሩ ይምርምሮም ከምዘሎ ኣፍሊጡ። በቲ ክሲ ዝተጠርጠረት ጋዜጠኛ ልዋም ኣታኽልቲ ሎሚ ንካልኣይ ግዜ ቤት ፍርዲ ዝቐረበት ክትከውን ከላ፡ ብተመሳሳሊ ገበን ዝተጠርጠረ ሓላፊ ክፍሊ ዜና`ቲ መደበር ሬድዮ ክብሮም ወርቁ ድማ ትማሊ ንመጀመርያ ግዜ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ኔሩ። ቤት ፍርዲ ንፖሊስ ንተወሳኺ ናይ መርመራ መዓልታት ፈቒድሉ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A0%E1%88%83%E1%8B%B1-%E1%88%AC%E1%8B%B5%E1%8B%AE-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%88%B3%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6289440.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ብስንኪ ኲናት ዝኸፍአ ሰብኣዊ ሓደጋ ይበጽሕ ምህላው ዝተፈላለዩ ትካላት ይገልጹ","content":"ኣተሓባባሪት ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ኣመሪካ (ዩ.ኤስ..ኤ.ኣይ.ዲ) ሳራ ቻርለስ ካብ ጥቅምቲ 20-23,2021 ኣብ ዝነበረ አዋን ናብ ኢትዮጵያ ተጓዒዛ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ምስ ዘብፅሑ መሓዙት ትካላት: ሰበ ስልጣናት መንግስቲ : ካልኦት ወሃብቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ትካላትን ተራኺባ ተመያይጣ። ሳራ ቻርለስ ምስ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ጊታ ፓሲ ብምዃን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ባህርዳርን ብምብጻሕ፡ በቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተላዕለ ቅልውላውን፡ ሓገዛት ረዲኤት ክሓልፉ ብዘይምኽኣሉን ፡ኣብ ዓለም አቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ሓደጋ ይበፅሕ ምህላዉ ክዕዘባ ምኽኣለንን ከምኡ’ውን ብሰንኪ ካብ ክልል ትግራይ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ተጋፊሑ ዝርከብ ኩናት ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑፀሩ ሰባት ኣብ ውሑዳት ሰሙናት ጥራሕ ካብ መነባብርኦም ምምዝባሎም ሓቢራ`ላ ። ኣተሓባባሪት ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ኣመሪካ (ዩ.ኤስ..ኤ.ኣይ.ዲ) ሳራ ቻርለስ ፡ህይወት ኣድሕን ሰብኣዊ ሓገዛት ናብቶም ግዳያት ዝበፅሑሉ መገዲ ክኽፍቱ ፡ መንግስቲ ነቶም ኣብ ክልል ትግራይ ተዓፅዮም ዝርከቡ መራኸቢ ማዕከናት፤ ባንኪን ካልኦት ኣገልግሎታትን ናብ ንቡር ክምለሱ ፤ ከምኡ’ውን ኩሎም ዓይነት ሰብኣዊ መጉዓዝያ ብዘይ ገለ ክልከላ ክሓልፉ ከፍቅድን ዝሓወሰ መጸዋዕታ ኣቕሪባ`ላ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ፕረዚደንት ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ፒተር ማዉሪር ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንኸባቢ ሓደ ዓመት ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኩሎም ተፃባእቲ ወገናት ሲቪል ህዝቢ ካብ ሓደጋ ክሕልዉ ፀዊዑ`ሎ ። ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝርከብ ህዝቢ ዋሕዲ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ሸቐጣ መቐጥ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝረኽበሉ ኩነታት ብምስኣኑ ንዝኸፍአ ሓደጋ ተቓሊዑ ይርከብ ክብል`ውን ኣብቲ ንሰለስተ መዓልቲ ዝገበርዎ ምብጻሕ ተዛሪቡ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%B5%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8A%B8%E1%8D%8D%E1%8A%A0-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B-%E1%8B%AD%E1%89%A0%E1%8C%BD%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B9\/6289433.html"} {"headline":"ኦፌኮ: ኢትዮጵያ ካብ ዘላቶ ጸገም ክትወጽእ ኩሉ ሓቖፍ ዘተ ከምዘደልይ ገሊጹ","content":"ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ፡ ኢትዮጵያ ካብ ዘላቶ ጸገም ክትወጽእ እንተኾይኑ፡ ሓቀኛን ኩሉ ዝሓቖፈን ሃገራዊ ዘተ ምክያድ ኣድላዪ`ዩ ኢሉ ከምዝኣምን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት`ቲ ተቓዋሚ ፓርቲ ኣቶ ጥሩነህ ገምታ ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቡ። እቲ ዘተ ቅድሚ ምክያዱ`ውን እቲ ፓርቲ ከም ቅድመ ኩነት ዘቐመጦም ነጥብታት ከምዘለዉ ንሳቶም ድማ ዝተኣሰሩ ኣባላቱ ተፈቲሖም ኣብቲ ዘተ ክሳተፉ ኣለዎም ዝብል ከምዝርከቦ ኣቶ ጥሩነህ ጠቒሱ`ሎ። ብኻልእ ወገን፡ ሃገራዊ ምይይጥ ንህልውና ሃገር ኣድላዪ`ዩ ክብል ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ ( ኢዜማ) ቅድሚ ሎሚ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጹ ኔሩ`ዩ። መንግስቲ ብዛዕባ`ዚ ዳሕራዋይ ጻውዒት ኦፈኮ ዛጊት ዝሃቦ ምላሽ የለን። እንተኾነ ግን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንኩሉ ዘሳተፈ ሃገራዊ ዘተ ከምዝካየድ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ክገልጹ ጸኒሖም`ዮም ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A6%E1%8D%8C%E1%8A%AE-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%98%E1%88%8B%E1%89%B6-%E1%8C%B8%E1%8C%88%E1%88%9D-%E1%89%B5%E1%8B%88%E1%8C%BD%E1%8A%A5-%E1%8A%A9%E1%88%89-%E1%88%93%E1%89%96%E1%8D%8D-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%B0%E1%88%8D%E1%8B%AD-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6287954.html"} {"headline":"ብሕብርታቱ ታሪኽ ዝስንድን ወለዶታት ከላግብ ዝፍትን ዘሎ ስነ-ጥበበኛ የጊ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዱ ኣብ ኬንያን ኤርትራን ዝተቐመጠ’ሞ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ኣብ ከተማ ሲያትል ኣመሪካ ዝነብር ዘሎ ስነ-ጥበበኛ ይግዛው ሚኪኤል (የጊ)፡ ኣብ ከተማ ሲያትል ጥራይ ልዕሊ12 ህዝባውያን ስነ-ጥበባዊ ስራሓት (Public Art) ዘፍረየ’ዩ። እዚኣቶም ውሑዳት ካብቶም ሓያሎ፡ በበይኖም ስራሓቱ’ዮም። No media source currently available ስራሓት የጊ ኣብ ቅብኣ፡ ሞዝያክ ኣርት፡ ዲዛይን ካልእን ዘተኵሩ ኰይኖም፡ ካብቶም ፍርያቶም ናብ ዝሰፍሐ ተኸታትሊ ከብጽሑ ዝኸኣሉ ስነ-ጥበበኛ’ዩ። ቅድሚ ቀረባ እዋን ብኸተማ ሲያትል ተዓዲሙ ኣብ ዝተኻየደ፡ ንታሪኽ ጸለምቲ ንምዕቃብ ዘተኰረ ህዝባዊ ስነ-ጥበባዊ ዕዮ ተሳቲፉስ፡ ሓንቲ ህዝባዊት ስራሕ’ውን ኣቕሪቡ ኣሎ። ንዝሰፍሐ ስራሓቱ ካልእ እዋን ክንምለሶ ተስፋ እናገበርና፡ ንሎሚ ኣብዛ ናይ መወዳእታ ስራሑ ጥራይ ብምትኳር ዝተገብረ ቃለ-ምልልስ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%89%B3%E1%89%B1-%E1%89%B3%E1%88%AA%E1%8A%BD-%E1%8B%9D%E1%88%B5%E1%8A%95%E1%8B%B5%E1%8A%95-%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8B%B6%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%8B%E1%8C%8D%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%88%8E%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%8C%A5%E1%89%A0%E1%89%A0%E1%8A%9B-%E1%8B%A8%E1%8C%8A\/6286618.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሰንኪ ኲናት ቁጽሪ ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ልዕሊ 750 ሽሕ ምብጽሑ ተገሊጹ","content":"ብሰንኪ’ቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ቀጺሉ ዘሎ ውግእ፣ ብዝሒ ተመዛበልቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣዝዩ ይንህር ከምዘሎ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ። ኮምሽን ምክልኻል ሓደጋን ውሕስና መግቢኣቶ ኢያሱ መስፍን ሎሚ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል \"ብሰብ ሰራሕን ብተፈጥሯዊን ሓደጋታት ብዝሒ ተመዛበልቲ ልዕሊ 750 ሽሕ ከምዝኾነ’ ሓቢሩ። እቲ ኮምሽን ዝኣክል ሰብኣዊ ረድኤት ይቀርብ ከምዘየለ ብምግላጽ ፣ ብሕልፊ ሰራዊት ህወሓት ኣብ ዝተቆጻጸሮም ከባቢታት ሓገዝ ንምብጻሕ ከምዘይተካኣለ ተሓቢሩ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%90%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-750-%E1%88%BD%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%88%91-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6286556.html"} {"headline":"ኢዜማ: ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኩነታት ሰሜናዊ ክፋል'ታ ሃገር መብርሂ ክህቡ ዝሓትት ደብዳቤ ንቤት ምኽሪ ምቕራቡ ገሊጹ","content":"ኢዜማ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ብዛዕባ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ይቅጽል ዘሎ ውግእ ኣብ ቅድሚ ቤት ምኽሪ’ታ ሃገር ቀሪቦም መብርሂ ንክህቡ ዝሓትት ደብዳቤ ናብ ኣፈጉባኤ’ቲ ቤት ምኽሪ ከምዘቅረበ ገሊጹ። ንድምጺ ኣመሪካ ርእይቶኦም ዝሃቡ ኣቦ መንበር’ቲ ፓርቲ ኣቶ የሽዋሽ ኣሰፋ \"እቲ ዝቀረበ ሕቶ፣ ኣንፈት ፍታሕ ዝሓቆፈ’ውን ከምዝኾነ\" ሓቢሮም። ንኢዜማ ወኪሎም ኣብ ፓርላማ ዝኣተው ኣባላት ኢዜማ ዘቅረብዎ ደብዳቤ \"መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል’ታ ሃገር ይካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ ውሽጢ ክንደይ ጊዜ ዛዚሙ፣ ዜጋታት ናብ ንቡር መነባብሮ ዝምለሱሉ ኣንፈት፣ ካብ ህዝቢን ተቃወምቲ ፓርቲታት እንታይ ትጽቢት ከምዝግበርን እቶም ቀ\/ሚ መብርሂ ንክህቡ\" ዝሓትት እዩ። ኣቶ የሽዋሽ ኣሰፋ \"ኣባላትን መሪሕነትን’ቲ ፓርቲ ከምኡውን ህዝቢ፣ መዓስ እዩ ህዝቢ ዘዕርፍ፧ ኣንፈት መንግስቲ ንጹር ዘይኮነ፣ ንምዝዛሙ ድማ ንጹር ሰሌዳ ኣይኮነን’ ኢሎም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%8B%9C%E1%88%9B-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%8A%AD%E1%8D%8B%E1%88%8D-%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%82-%E1%8A%AD%E1%88%85%E1%89%A1-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%89%B5%E1%89%B5-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%89%A4-%E1%8A%95%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%88%AB%E1%89%A1-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6286542.html"} {"headline":"ኣብ ትግራይ ሎሚ’ውን ደብዳብ ነፈርቲ ተኻዪዱ","content":"ሎሚ ሰሉስ ኣብ ከባቢ ከተማ መቐለ ወረዳ እንደርታ፡ ጣብያ ዓራቶ ዝተባህለ ከባቢ ደብዳብ ነፋሪት ተፈፂሙ። እቲ ደብዳብ ኣብ መሬት ሕርሻ ከም ዝተፈጸመ ኣማሓዳሪ’ቲ ወረዳ ኣይተ ፀጋይ ገብረተኽል ንወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ መቐለ ሓቢሩ'ሎ። በዚ ደብዳብ ክሳብ ሐዚ ኣብ ልዕሊ ሰባት ብዛዕባ ዝበፀሐ ጉድኣት ዛጊድ ዝተፈለጠ የለን። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈፀመሉ ሰዓት ጓሶት ምስ ከብቶም ኣብቲ ከባቢ ዋላተነበሩ ጉድኣት ግን ኣይበፅሖምን ክብሉ መሰኻኽር ዓይኒ ተዛሪቦም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ከተማ መቐለ ከባቢ ኵሓ ዝርከብ መሰልጠኒ ፍሉይ ሓይሊ ከም ዝደብደበ መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ፋና ፀብፂቡ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%89%A5-%E1%8A%90%E1%8D%88%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AA%E1%8B%B1\/6286225.html"} {"headline":"ኣብ ዓድዋን ማይጸብሪን ደብዳብ ነፈርቲ ምክያዱ ተገሊጹ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰንበት’ውን ኣብ ክልል ትግራይ ክልተ መጥቃዕታት ነፈርቲ ኣካዪዱ:: ብሰንበት 24 ጥቅምቲ 2021 መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዓድዋን ማይጸብሪን ደብዳብ ነፈርቲ ኣካዪዱ። ወሃብ-ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ማይጸብሪን ወታሃደራዊ ክዳን ዝፈረየሉ ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳን’ዩ ተፈጺሙ ክብሉ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሮም። ወሃብ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሑዎ ጽሑፍ ግን እቲ ቦምባ ኣብ ማይ ጸብሪ፡ ኣብ ጥቓ ሆስፒታል ምውዳቑን ኣብ ክልቲኡ ወገናት ንወተሃደራዊ ዒላማ ከምዘይወቕዐን ኣመልኪቶም። ብፈደራላዊ መንግስቲ ካብ መዝነቱ ዝተኣልየ ሓላፊት ቢሮ ኮምኒከሽን ክልል ትግራይን ዝዀና ሊያ ካሳ ንወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ መቐለ ከም ዝነገረኦ ድማ ኣብ ሰላማዊ ሰብ ከቢድ ክሳራ ወሪዱ ኣሎ። ብመሰረት ሓበሬታ እተን በዓልቲ መዚ ግን ብሰንኪ’ቲ ዘሎ ጸገም መራኸቢታት ብልክዕ ቍጽሪ ጉድኣት ንምፍልጥ ደኣ ኣይከኣል እምበር፡ በቲ ዝተኻየደ ደብዳብ ሰለማውያን ሰባት ተወቒዖም ሕክምናዊ ሓገዝ ይግበረሎም ምህልወን ኣብ ዝሃበኦም ቃለ መጠየቕ ኣፍሊጠን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%8B%B5%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%88%9B%E1%8B%AD%E1%8C%B8%E1%89%A5%E1%88%AA%E1%8A%95-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%89%A5-%E1%8A%90%E1%8D%88%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8B%AB%E1%8B%B1-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6285115.html"} {"headline":"ኣብ ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ውሳነ ኣሕሊፉ","content":"ኣብ ናይ ኣሜሪካ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ ንውሳነ H.R.445 ብምምሕያሽ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈፀመ ኩሉ ህውከትን መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላትን ብምኹናን ኣብ ግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ይሳተፉ ንዘለው ኩሎም ተዋጋእቲ ተፃብኦታት ደው ከብሉ፣ሰብኣዊ መሰላት ከኽበሩን፣ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይገደብ ክሓልፍ፣ተኣማንነት ዘለዎም ተግባራት ጭፍጨፋ እንተሃሊዮም ብገለልተኛ ምርመራ ክፃረዩ ምትሕብባር ክገብሩን ክብል ዝሓለፈ ሓሙስ ፀዊዑ ኣሎ። እቲ ውሳነ ድሕሪ ምሕላፉ ኣባል ቤት ምኽሪ ካረን ባስ ኣብ ዘውፅእኦ መግለፂ፣ነዚ ብዓሌት፣ፖለቲካን ታሪኽን ዝተሓላለኸን ብዙሕ መልክዕ ዘለዎ ግጭት: ሰላምን ኣብ ልዝብ ዝተመሰረተ መፍትሒን ክመፅእ ነቲ ውሳነ ሓሳብ ከምዝመርሕ ገሊፀን። ንሰን ኣብ ክልል ትግራይ ሕዳር 2020 ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝጀመረ መጥቓዕቲን ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝወሰዶ ግብረ መልስን ስዒቡ እቲ ግጭት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ሰፊሑ።ኣካይዳ እንተድኣ ዘይተቐይሩን ኣብ ልዝብ ዝተመስረተ ተፃብኦ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ እንተድኣ ዘይተፈፀሙን እቲ ግጭት ናብ ካልኦት ክፋላት እታ ሃገር ክሰፊሕ እዩ ኢለን። ኣቐዲሙ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣባል ቤት ምኽሪ ሳራ ጃኮብ ንዝርከብኦ ልኡኽ መሪሐን ናብ ኢትዮጵያ ተጓዒዘን ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ፣ውድባት ሰብኣዊ ረድኤት፣ስቪል ማሕበረሰብ፣መናእሰይን ካልኦት ተራኺበን ምዝርራበን ገሊፀን። ‘’ነዚ ግጭት ወታሃደራዊ ፍታሕ ኣይህልዎን ዝብል እምነት ኣለኒ፤እታ ሃገር ትስበር እያ ዘላ ብዘይካ ሃገራዊ ልዝብ ናብ ዝገደደ ፀገም ክትኣትው እያ’’ኢለን።ኢትዮጵያ ካብ ምምሕዳር ኣመሪካ እገዳ ናይ ምንባር ሓደጋን እቲ ግጭት እንተድኣ ቀፂሉ እታ ሃገር ካብ ኣመሪካ ትረኽቦ ዝነበረ ቐረፀ ናይ ዘይምኽፋል ረብሓ ንሓደጋ ክቃላዕ እዩ ክብላ ስኽፍትአን ገሊፀን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B4-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%8A%E1%8D%89\/6285083.html"} {"headline":"ዘተ ኣብ ተበግሶን ኣገባባትን ሕጊ ማግነትስኪ","content":"ኣብ ቀረባ እዋን፡ ብዙሓት ትካላት ዝፈረማሉ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ብሕጊ ማግነትስኪ ዝጽውዕ ጋዜጣዊ መግለጺ ተዘርጊሑ ነይሩ። ብመሰረት እቲ ጽሑፍ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንኤርትራዊ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕን ካልኦት ብጾቱን ልዕሊ 20 ዓመት ብዘይ ሕጊ ስለ ዝኣሰሮም፡ ንፈጸምቲ እቲ በደል ዝዓለመ ማዕቀብ ክግበር ዝጽውዕ’ዩ። ንተበግሶን ኣገባብትን እቲ ጻውዒት ኣመልኪትና ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ሰብኣዊ መሰላት ኣተኲራ ነዊሕ ዝሰርሐት ሜሮን እስቲፋኖስን ሓው ንጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ዝኾነ ኢሳያስ ኢሳቕን ክልቲኦም ነበርቲ ሽወደን’ዮም ኣዘራሪብናዮም ኣለና ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B0%E1%89%A0%E1%8C%8D%E1%88%B6%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%89%A3%E1%89%A3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%88%9B%E1%8C%8D%E1%8A%90%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%88%B5%E1%8A%AA\/6284760.html"} {"headline":"ኣብ ናይ ኣፍሪቃ ናይ ሙዚቃ ውድድር `ኣፍሪማ` ዝተሓጸያ ደርፍታት ኤርትራ","content":"ብስነ-ጥበባውያን ዮናስ ምሕረትኣብ(ማይነስ)ን ሜሪ ዘርኣብሩክን ዝተደርፋ ደርፍታት ኣብ ናይጀርያ ብዝመደበሩ “ኣፊሪማ” ዝተባህለ ኣፍሪቃዊ ናይ ሙዚቃ ትካል ምስ ብሉጻት 12 ተሓጽዮም ኣለዉ። ብመሰረት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሪማ ዝርከብ ሓበረታ ”ኣፍሪማ” ማለት All Africa Music Awards ብሞያተኛታትን ኣብ ሙዚቃ እጀታ ዘለዎምን ኣህጉራዊ ኮሚቴ ዝምራሕ ኮይኑ፡፡ ዕላምኡ ፡ብሩህ መጻኢ፡ ፍስሃን ሓድነት ኣህጉር፡ ኣፍሪቃን ዘማዕዱ`ዩ። ሃብታም ኣፍሪቃዊ ክብርታትን ምዕቃብ ባህላዊ ሪማትን ይጽንብልን የተባብዕን ። ብኣፍሪቃውያን ስነ፡ጥበባውያን ንዝፈረዩ ስራሓት ሙዚቃ ብምውድዳር ድማ ንብሉጽ ስርሓት ይሽልም። ኮመድያን፡ሙዚቀኛ፡ደራስን ኣላይን ዮናስ ም\/ኣብ (ማይነስ)ብርክት ዝበሉ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ዘበርከተን ብዘቕርቦም እዋናዊን ኣዘናጋዒን ናይ ኮመዲ ስርሓቱ ብብዙሓት ኣድናቖት ዝረኸበ ሓደ ካብ ኤርትራውያን ኮመድያን’ዩ። ድምጻዊት፡ ደራሲትን ዘያሚትን መንእሰይ ስነጥበበኛ ሜሪ ዘርኣብሩኽ ክሳብ ሕጂ ኣርባዕት ንጽል ደርፍታትን ሓደ ኣልቡምን ዘፍረየት ሓንቲ ካብ ሓደስቲ መንእሰያት ስነ-ጥበባኛታት’ያ።ብእትቕርቦም ናይ እንግሊዝኛ ደርፍታት፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ጽቡቕ ተፈላጥነት ካብ ዝረኸቡ ድምጻውያን መንእሰያት ሓንቲ’ያ። ምስ’ዞም ክልተ ስነ-ጥበባውያን ዝተገበረ ዕላል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ተዓወትቲ `ኣፍሪማ` ብድምጺ`ዮም ዝምረጹ፡ ኩሉ ድማ ብዓፍርዒምዓ ዓቻደምይ ኣብ ኦንላይን ጥራሕ`ዩ ዝካየድ። ስነ፡ስርዓት ሽልማት`ቲ ዕለት ድማ ናብ ፰፬ ሃገራት ብተለቪዥን ብቐጥታ ከም ዝምሓላለፍ`ውን እቲ ትካል ኣፍሊጡ`ሎ። ኣብ ዘረባና፡ ከም ኣካል ኣፍሪማ፡ “ዖኡር ቮኢቸ” ማለት ድምጽና ዝብል ፕሮጀክት`ውን የሰጉም`ዩ፡ ዕላምኡ ናይ ትምህርቲ ሓገዝ ንዘድልዮም ቆልዑት ኣፍሪቃ ምሕጋዝን ናይ ትምህርቲ ንቕሓት ንምብራኽን`ዩ። ኣፍሪማ ምስ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ `ውን ብሽርክነት ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ`ሎ። እዚ ድምጺ ኣመሪካ ` ዩ። (0፡፴)","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%99%E1%8B%9A%E1%89%83-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%8B%B5%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%88%9B-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%93%E1%8C%B8%E1%8B%AB-%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB\/6281983.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ተመስሪቱ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ሎሚ ተመስሪቱ። ንናይቲ ክልል ኣመሓዳሪ ናይ ምምራጽ ሕገ መንግስታዊ ስልጣን ዘለዎ ጉባኤ ሃረሪ፣ ንስም ሕጹይ ኣመሓዳሪ ከምዘቅረበን፣ እቲ ቤት ምኽሪ ተቀቢሉ ከምዘጸደቆን ተፈሊጡ'ሎ። ብኣካይዳ እቲ ናይ ሎሚ መስርሕ ቅሬታ ዝሓደሮም ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ፣ ናብቲ ኣዳራሽ ኣይንኣቱን ስለዝበሉ፣ ምልኣተ ጉባኤ ኣይተማለኣን ተባሂሉ እቲ ኣኼባ ምብታኑ'ውን ተሓቢሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%83%E1%88%A8%E1%88%AA-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AA%E1%89%B1-\/6281843.html"} {"headline":"መቐለ ንራብዓይ መዓልቲ ደብዳብ ነፈርቲ ተኻዪዱ፣ 11 ሰራሕተኛታት ዩኒቨርስቲ መቐለ ቆሲሎም","content":"ሎሚ ዓርቢ 22 ጥቅምቲ 2021 ኣብ ምብራቓዊ ወገን ከተማ መቐለ፡ ዩኒቨርስቲ መቐለ ከባቢ እንዳ ኢየሱስ፡ ንራብዓይ እዋን ደብዳብ ነፈርቲ ተኻዪዱ። ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝለኣኾ ዝደሓረ ጸብጻብ፡ በቲ መጥቃዕቲ 11 ሰራሕተኛታት ዩኒቨርስቲ መቐለ ቆሲሎም ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ይሕክሙ ምህላዎም ሓቢሩ'ሎ። ከም ሓበሬታ ኣሶሴይትድ ፕረስን ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስን ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሙን ሓንሳብ ናብ መቐለ ዝግበር ዝነበረ በረራ’ውን ብሰንኩ ተሰናኺሉ ኣሎ። ወሃብ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ፡ ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣቐዲሙ መሰልጠኒ ማእከል ዕጡቓት ትግራይ ዝነበረ ምዃኑ ኣመልኪቱ። ብመሰረት መንግስታውያን ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ፡ እቲ ዒላማ፡ ስልጠና ዝካየድሉን መሳርሒ መራኸቢታት ዝኽዘነሉን ኢዩ። ወሃብ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ’ቲ ዝተቛረጸ በረራ ብኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ተሓቲቱ ኣብ ዝመለሰሉ ድማ “ሰዓታትን መስመር በረራታትን እቲ መጥቃዕቲን ናይ ሓገዝ ነፈርቲን በበይኑ’ዩ፡” ክብል መሊሱ። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንተለቪዥን ትግራይ ብምጥቃስ፡ ኣብ ልዕሊ 11 ሰላማውያን ሰባት ጉድኣት ከም ዝወረደ ኣመልኪቱ ኣሎ። ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ኣጽብሃ’ውን ናብቲ ቦታ በጺሑ ነይሩ። ብመሰረት ጸብጻብ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ድማ እቲ መጥቓዕቲ እኽሊ ሓረስቶት ሃሪሙን ኣቃጺሉን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%95%E1%88%AB%E1%89%A5%E1%8B%93%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%89%A5-%E1%8A%90%E1%8D%88%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AA%E1%8B%B1-%E1%8B%9B%E1%8C%8A%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B0-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%8C%89%E1%8B%B5%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8D%E1%8C%A0%E1%8A%95\/6281547.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ቦረና ብሰንኪ ደርቂ ብርክት ዝበላ ጥሪት ይሞታ ምህላወን ተገሊጹ","content":"ኣብ ዞባ ቦረና ክልል ኦሮምያ፣ ብሰንኪ ደርቂ ብርክት ዝበላ ጥሪት ይሞታ ከምዘለዋ ተፈሊጡ። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ልዕሊ ት ሸዓተ ሽሕ ጥሪት ከምዝሞታ’ውን እቲ ዜና ይሕብር። መንግስቲ ቅልጡፍ ምላሽ እንተዘይሂቡ፣ እቲ ጸገም ክጋደድ ከምዝኽእል ነበርቲ’ቲ ከባቢ ገሊጾም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%89%A6%E1%88%A8%E1%8A%93-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%8A%AD%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%8B-%E1%8C%A5%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%88%9E%E1%89%B3-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%88%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6280288.html"} {"headline":"ኣብ ኤርትራ ብቋንቋ ትግርኛ ዝተዋህባ ድምጺ ናብ ጽሑፍ ትቕይር ሶፍትዌር ዝምሃዙ መንእሰያት","content":"ኣብ ኮለጅ ኢንጂነሪንግ ማይ-ነፍሒ ኤርትራ ዝመሃሩ ተማሃሮ ራብዓይ ዓመት፡ ንጽምጺ ትግርኛ ናብ ጽሑፍ እትቕይር ሶፍትዌር ምስራሖም ይገልጹ። እዚ ናይ ቋንቋ ትግርኛ፡ ብሕልፊ ድማ ኣብ ኤርትራ፡ ናይ ፈለማ ዝበሉዎ ፈተነ ናብ ዝሰፍሐ ተጠቃሚ ከብጽሑ ኣብ ተስፋ ኣለዉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%A5%E1%89%8B%E1%8A%95%E1%89%8B-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AD%E1%8A%9B-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%8B%E1%88%85%E1%89%A3-%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BA-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8C%BD%E1%88%91%E1%8D%8D-%E1%89%B5%E1%89%95%E1%8B%AD%E1%88%AD-%E1%88%B6%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%8B%8C%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%83%E1%8B%99-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AB%E1%89%B5\/6280210.html"} {"headline":"“መቐለ ንሳልሳይ እዋን ደብዳብ ነፈርቲ ተኻዪዱ” ሮይተርስ፣ “ፈሺሉ” ወሃብ ቃል ህወሓት","content":"ሎሚ ሓሙስ 21ጥቅምቲ 2021፡ ኣብ ከተማ መቐለ ሓድሽ ደብዳብ ነፈርቲ ከም ዝተኻየደ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ከም ጸብጻብ ሮይተርስ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ምፍጻሙን ዝደልዮ ዕላማ ምውቃዑ ወሃብ-ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ደኣ ይሓብር እምበር፡ ብመሰረት ጸብጻብ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ መቐለ ግን ዛጊት ኣብ ሰብን ንብረትን ዝበጽሐ ዕንወት የለን። ብመሰረት መሰኻኽር ዓይኒ፡ እቲ ደብዳብ ላጪ ኣብ ዝብሃል ኣከባቢ ምዃኑ ይገልጹ። ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ናብቲ ቦታ ተጓዒዙ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ተወቒዑ ዝተባህለ ናይ ሕርሻ መሬት ኣሰር ክረኽበሉ ከም ዘይከኣለ ኣመልኪቱ ኣሎ። No media source currently available እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ወሃብ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ ትዊተር መልእኽቲ ፈንዮም ነይሮም። ብመሰረት መልእኽቲ ትዊተር ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ነፈርቲ ኲናት ሰለስተ ግዜ ደኣ ይመላለሳ እምበር፡ ብሓይልታት ጸረ-ነፈርቲ ትግራይ ተመሊሰን ዕላማአን ከየተግበራ ፈሺለን ከም ዝተመልሳ ኣመልኪቶም። ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%95%E1%88%AB%E1%89%A5%E1%8B%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%89%A5-%E1%8A%90%E1%8D%88%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AA%E1%8B%B1-%E1%88%AE%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%88%B5-%E1%8D%88%E1%88%BA%E1%88%89-%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A5-%E1%89%83%E1%88%8D-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5\/6280075.html"} {"headline":"ዶ\/ር ኣማኑኤል ዮሃንስ ኣብ ኩነታት ቫይረስኮሮና ኣብ ኤርትራ","content":"ብመሰረት ወግዓዊ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ፡ ቍጽሪ መልከፍቲን ሞትን ኮቪድ19 ተዛማዲ ውሑድ ደኣ ይዅን እምበር፡ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ውሑዳት ንዓለማዊ ልግሲ ክታበት ኮቫክስ ዘይተቐበለት ሃገራት ምዃና’ዩ ይፍለጥ። ነዚን ካልእን ኣመልኪቱ ዶክተር ኣማኑኤል ዮሃንስ ክኢላ ፋርማሲስት ኣውቶኢሙን ከምኡ’ውን ሕማማት ፓልሞናሪ (Autoimmune and pulmonary disease) ኣዘራሪብና ኣለና ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%88%9B%E1%8A%91%E1%8A%A4%E1%88%8D-%E1%8B%AE%E1%88%83%E1%8A%95%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB\/6278658.html"} {"headline":"ንከተማ መቐለ ዒላማ ዝገበረ ደብዳብ ነፈርቲ ተኻይዱ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ ዝኾነት መቐለ፣ ንሳልሳይ ጊዜ ሎሚ ረቡዕ’ውን ብነፈርቲ ምድብዳቡ ይግለጽ ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕላማ'ቲ መጥቃዕቲ ንመስርሒ ኣጽዋራት'ቲ ኣሸባሪ ዝበሎ ህወሓት ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ ገሊጹ'ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8B%92%E1%88%8B%E1%88%9B-%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%89%A5-%E1%8A%90%E1%8D%88%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/6278647.html"} {"headline":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዘጋጥሙ መጥቓዕቲታት ናብ ማሕበረሰባዊ ግጭት የመርሑ የጠንቕቅ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ኣብ ዞባታት ምብራቕ ወለጋን ሆሮ ጉድሩን፡ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ዜጋታት ዝፍጸሙ መጥቃዕትታት ናብ ማሕበረሰባዊ ግጭታት ንከየምርሑ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ስግኣቱ ገሊጹ። እቲ ግጭት ብሄር፡ተኮር ባህርይ ቅድሚ ምሓዙ ኣብቶም ግጭት ዝደጋገመሎም ከባብታት መንግስቲ እኹል ናይ ጸጥታ ሓይሊ ከዋፍር`ውን እቲ ኮሚሽን ኣተሓሳሲቡ`ሎ። መበገሲ`ቲ ግጭት ኣብ መንጎ መንግስትን ዕጡቓት ዝካየድ ግጭት ምዃኑ ዝገልጽ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፡ ቀንዲ ትኹረትና ግን ኣብቲ ግጭት ዘየለዉ ሲቪላት ናይ`ቲ ግጭት ግዳያት ክኾኑ ኣይግባእን ዝብል`ዩ ክብል ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጹ`ሎ። ወሃቢ ቓል ኦሮሚያ ብወገኑ፡ ኣብ መንጎ`ቲ ብፍቕርን ሕውነትን ዝነበርን ንሓድነት ኢትዮጵያ ዝቖመን ብሄር፡ብሄረሰብ፡ ንፖለቲካዊ መኽሰብ ዝቖሙ ኣካላት ድማ ይህልዉ`ዮም ካብ መንጎኦም ድማ ሸነ ዝተባህለ ሽብርተኛ ጉጅለን፡ ናይ ኣምሓራ ኮማንዶ ኢሉ ዝሸፈተ ሓይሊን ኣብ ንጹሃን ዓሊሞም ዝወስድዎ መጥቃዕቲ`ዩ ምበር፡ ኣብ ማእከል`ቲ ሕብረተሰብ ዝርአ ሓደ ነገር`ኳ የለን ኢሉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A5%E1%88%99-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8B%A8%E1%88%98%E1%88%AD%E1%88%91-%E1%8B%A8%E1%8C%A0%E1%8A%95%E1%89%95%E1%89%85\/6278618.html"} {"headline":"ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ፈላማይ ግጥም መጻረይ ዋንጫ ኣፍሪቃ 5 ብ 0 ተሳዒራ","content":"ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ምስ መዘንኣ ጋንታ ብሩንዲ ሎሚ 20 ጥቅምቲ,2021 ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ኣስመራ ስታድዩም ኣብ ዝገበረቶ ፈላሚ ግጥም መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2022: 5 ብ 0 ተሳዒራ። ብመሰረት ዝወጸ መደብ ጸወታ ካፍ፡እዘን ክልተ ሃገራውያን ጋንታትት 26 ጥቅምቲ ካልኣይ ግጥመን ኣብ ብሩንዲ፡ከተማ ንጉዚ ከካይዳ’የን።ኣብ ካልኣይ እግሪ ዝተዓወተት ጋንታ ኸአ ካብ ጅቡቲን ሩዋንዳ ምስ ዝሰዕረት ጋንታ ክትጋጠም’ያ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8C%8B%E1%8A%95%E1%89%B3-%E1%8B%B0%E1%89%82-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AE-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%8C%A5%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8C%BB%E1%88%A8%E1%8B%AD-%E1%8B%8B%E1%8A%95%E1%8C%AB-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-2-%E1%89%A5-1-%E1%88%B5%E1%8B%92-%E1%88%AB-\/6278567.html"} {"headline":"ዘተ ኣብ ጉዳይ ኣብ እዋን ጥምየትን ዓጸቦን ንመግብነት ዘገልግሉ ኣሕምልትን ፍረታትን","content":"ኣብ ከም ክልል ትግራይ ዝበሉ ከባቢታት ህዝቢ ሓደጋ ጥምየት ከጋጥሞ ከሎ ነቶም ዝለመዶም መግብታት ዝትክእ ፣ቀልጢፉ ክባፅሕ ዝኽእል ፣ ንመግብነት ዘገልግሉ ኣሕምልትን ፍረታትን እንታይ እዮም? ረብሐኦም'ኸ? ምሕረት ሃይለ ኣብ ባህሪያዊ ለውጢ ኣብ ሳይንሳዊ ስርዓት ኣመጋግባ ማስተርስ ዘለዋን ቅድም ክትብል ኣብ ሬድዮ ጀርመን ምስ ሳይንሳዊ ስርዓተ መግቢ ተተሓሒዙ መደባት ተዳሉ ዝነበረት: ኣብረሀት ገ\/ጊዮርግስ ፡ IOT (Internet of Things) ማስተርስ ኣለዋ። ከምኡ'ውን ኣብ ሩዋንዳ ኣብ ሕርሻ ማሽሩም ተዋፊራ ትርከብ ።ኣበባ ወ\/ተኽለ፡ ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ኣሪዞና እትነብርን ኣብ Health Informatiocs ማስተርስ ዘልዋን ኣብ ክልል ትግራይ ገልዒ በለስ ንዝተፈላለየ መግቢነት ከምዝውዕል ካብተን ፈላሞት ስልጠና ዝወሰዳ እያ ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%8C%A5%E1%88%9D%E1%8B%A8%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%93%E1%8C%B8%E1%89%A6%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%89-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8D%8D%E1%88%A8%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95\/6277366.html"} {"headline":"ቤት ፍርዲ ዳች ንኤርትራዊ ዘይሕጋዊ መሰጋገሪ ሰባት ኣብ ዝርዝር ዝድለዩ ገበነኛታት ምእታው ይገልጽ","content":"ዓቃቢ ሕጊ ዳች፣ ንኤርትራዊ ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ ሰባት ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያም፣ ኣብ ዝርዝር ኣዝዮም ተደለይቲ ሰባት ብምእታው ብገበን ምዝውዋር ሰባት ክኸሶ ከምዝደሊ ኣፍሊጡ። ኪዳነ፣ ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ይፍትኑ ንዝነበሩ ስደተኛታት ኣብ መኻዚኖ ሊብያ ኣጥምዪዎምን ገሪፍዎምን ብዝብል ዝቀረቦ ክሲ፣ ኣብ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ሙሉእ ዕድመ ንክእሰር ከምዝተፈርዶ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ፣ ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት ማእሰርቲ፣ ካብ’ቲ መእሰሪ ስፍራ ኣምሊጡ: አብዚ እዋን’ዚ ኣበይ ከምዘሎ ኣይፍለጥን ኣይፍለጥን። ብመሰረት ዓቃቢ ሕጊ ዳች \" ኪዳነን ጉጅልኡን፣ ንኤርትራዊያን ኣከላቢቱ፣ ገንዘብ መዝሚዙ፣ ጨውዩ ጾታዊ መጥቓዕቲ ፈጺሞምን’ ዝብል ክሲ ቀሪብዎም ኣሎ። እቲ ዓቃቢ ሕጊ ወሲኹ \"ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ኣብ ዝሳቀይሉ እዋን፣ ኣብ ኔዘርላንድ ዝነብሩ ኣባላት ቤተሰቦም ድማ ዘረፋ ይፍጸሞም ነይሩ\" ይብል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8B%B3%E1%89%BD-%E1%8A%95%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%95%E1%8C%8B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%8C%8B%E1%8C%88%E1%88%AA-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8B%9D%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%8B%B5%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%8A%90%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8D-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%BD\/6277301.html"} {"headline":"ሕ\/ሃን ኣመሪካን በቲ ኣብ ከተማ መቐለን ከባቢኣን ዘጋጠመ ደብዳብ ነፈርቲ ምሽቃሎም ገሊጾም","content":"ትማሊ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ ሞሶቦን ከተማ መቐለ ከባቢ ዕዳጋን ብዘጋጠመ ደብዳብ ነፈርቲ ብውሑዱ ክልተ ሰለማውያን ሰባት በቲ መጥቃዕቲ ከም ዝሞቱን ወኪልና ካብ መቐለ ጸብጺቡ ነይሩ። ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ግን ቍጽሪ ምዉታትን ናብ ሰለስተ ኣደዪቡዎ ኣሎ። ወሃብ ቃል ሕቡራት ሃገራት ነቲ መጥቃዕቲ “ኣዝዩ ዘተሓሳስብን ንሲቪላዊ ህይወት ዝጎሳቝልን” ክብሎ እንከሎ፡ ወሃብ ቃል ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ነድ ፕራይስ ድማ “ኣብ ትግራይ ብዘጓንፍ ዘሎ መግሃስታት ሻቕሎትና ይዓቢ’ሎ” ክብል ገሊጹ። ወሃብ ቃል ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ እቲ መጥቃዕቲ ብመንግስቶም ከም ዘይተፈጸመ ደኣ ኣብ እዋኑ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሮም። መንግስታዊ ማዕከን ዝዀነ ድርጅት ፕረስ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ወግዓዊ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ኣብ ዘካፈሎ ጽሑፍ ግን፡ “እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ከም ሚዲያ ፋና ዝኣመሰሉ ናይ ሚዲያን ኢንሳ ታወርን መሳርሕን ዒላማ ዘነፃፀረ ከምዝነበረን እቲ ተልኡኾ ብዓወት ከምተወድአ ተፈሊጡ፡” ክብል ሓቢሩ። ወሲኹ እቲ መግለጺ “ሓይሊ ኣየር ኢፌዴሪኢ ሎሚ ኣብ ዝፈፀሞ ደብዳብ ንፁሃን ዜጋታት ከይጉድኡ ልዑል ጥንቃቐ ከምተገበረን እዚ ድማ ብዕውትመገዲ ከምተፈፀመ ተገሊፁ፡” ኢሉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8A%95-%E1%89%A0%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%8A%A3%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%89%A5-%E1%8A%90%E1%8D%88%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%88%BD%E1%89%83%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/6276974.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ መቐለን ከባቢኡን ብዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ሞትን መቝሰልቲን ከም ዘስዓበ መሰኻኽር ዓይኒን ሓካይምን ገሊጾም","content":"ኣብ ከተማ መቐለን ከባቢኡን፡ ሎሚ ብዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ሞትን መቝሰልቲን ከም ዘስዓበ መሰኻኽር ዓይኒን ሓካይምን ገሊጾም። እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ ሞሶቦን ከተማ መቐለ ከባቢ ዕዳጋን ምክያዱ ተሓቢሩ'ሎ። ብመሰረት ጸብጻብ ሓካይም መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር፡መቐለ፡ ትሽዓተ ሰባት በቲ ደብዳብ ነፈርቲ ተሃሪሞም ናብቲ ሆስፒታል ክመጹ እንከለዉ፡ ክልተ ካብኣቶም ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ ኣሎ፡፡ ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሮይተርስ፡ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ ነቲ ደብዳብ ኣሉታ ሂቡሉ ኣሎ። “መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለምንታይ ንከተማኡ ይድብድብ፧ መቐለ ናይ ኢትዮጵያ ከተማ እያ’’ ክብሉ መሊሶም። ወሃብ ቃል ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ጽምጺ ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቡዎ ሓጺር ምላሽ፡ ዋላ’ኳ ብዛዕባ’ቲ ኣብ “ሰላማዊ ዒላማታት ምውራዱ ሰሚዖም ዘለዉ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ፡” ዝበሉዎ ደብዳብ ነፈርቲ ምስማዖም ክገልጹ እንከለዉ ከረጋግጹ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ኣመልኪቶም። ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%8A%A1%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B0-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%89%A5-%E1%8A%90%E1%8D%88%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%9E%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%89%9D%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D-%E1%8B%98%E1%88%B5%E1%8B%93%E1%89%A0-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%8A%BB%E1%8A%BD%E1%88%AD-%E1%8B%93%E1%8B%AD%E1%8A%92%E1%8A%95-%E1%88%93%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/6275749.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ስእነት መሰረታዊ ኣገልግሎት ዜጋታት ንሕማምን ሞትን ይቓልዑ ምህላዎም ተሓቢሩ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ዘሎ ስእነት መሰረታዊ ቀረባት መግቢ፡ ሓያሎ ዜጋታት ንሞትን ሕማምን ይቃልዑ ከም ዘለዉ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ከተማ መቐለ ሓቢሩ። ናብ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ብምኻድ ንሓካይምን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክረኽቡ ዝመጹ’ሞ በቲ ደርቂ ንዝተጠቕዑ ዜጋታት ኣዘራሪቡ ኣሎ ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%88%B5%E1%8A%A5%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%A8%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%95%E1%88%9B%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%88%9E%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%89%93%E1%88%8D%E1%8B%91-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6275543.html"} {"headline":"ካብ ቱኒዝያን ሊብያን ዝተበገሱ 141 ሰባት ኢጣልያ ምእታዎም ተገሊጹ","content":"ካብ ቱኒዚያን ሊቢያን ዝተበገሱ 141 ሰባት ብሽዱሽተ ጀላቡ ትማሊ ሰንበት ኣብ ናይ ጣሊያን ደሴት ላምፐዱሳ ኣትዮም። ፖሊስ ጣሊያን ነቲ ዜና ኣረጋጊፁዎ ኣሎ።ላምፐዱሳ ካብ ቱኒዚያ 145 ካብ ሊቢያን ድማ 303 ኪሎ ሜትር ሪሒቓ ትርከብ። ዓለምለኸ መርበብ ወለንተኛታት ህይወት ኣድሕን ነቲ ናይ ርድኡና ናይ ስልኪ ደውል ሰሚዖም ንሓለውቲ ወሰን ማይ ብምሕላፍ 31 ሰባት ዝፀዓነት ጀልባ ኣብ ቱኒዚያ ተገሊቢጣ ይብል።ሸውዓት ሰባት ድሒኖም ክልተ ግን ጠሊቖም ህይወቶም ስኢኖም 22 ኣበይ ከምዝኣተው ኣይፍለጥን። ብመሰረት ዓለምለኸ ውድብ ፍልሰተኛታት(IOM) ዛጊድ ኣብዚ ዓመት ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ተበጊሶም ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ኣውሮጳ ክኣትው ዝፈተኑ 1,300 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም ኣለው። ብመሰረት ናይ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ኣብዚ ዓመት ጥራሕ 47,932 ሰባት ኣብ ጣሊያን ኣትዮም ኣለው።ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 34,154 ሰባት ጣሊያን ኣትዮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%89%B1%E1%8A%92%E1%8B%9D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%8A%E1%89%A5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A0%E1%8C%88%E1%88%B1-141-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%8C%A3%E1%88%8D%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6275520.html"} {"headline":"ብሪጣንያ ንሰብኣዊ ቅልውላው ሰሜን ኢትዮጵያ ናይ 29 ሚልዮን ፖውንድ ስተርሊንግ ሓገዝ ተመባጺዓ","content":"ብመሰረት ወግዓዊ መንግስታዊ ምንጪ፡ ብሪጣንያ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝውዕል ተወሳኺ ናይ 29 ሚልዮን ፓውንድ ክትውፊ ምዃኑ ተፈሊጡ። ሚኒስተር ጉዳያት ኣፍሪቃ ቪክይ ፎርድ ነዚ ዝገለጻ ብምኽንያት ቀዳም 16 ጥቅምቲ ዝተዘከረ ዓለምለኻዊ መዓልቲ መግቢ ኣጋጣሚ ብምግባር’ዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ ብሪጣንያ ንሰብኣዊ ቅልውላው ኢትዮጵያ እትህቦ ሓገዝ 75 ሚልዮን ፓውንድ ክበጽሕ’ዩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ሚኒስተር ቪክይ ፎርድ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንቕልውላው ሰብኣዊ ሓገዝ ኣመና ይድርቶ ስለ ዘሎ፡ ኵላቶም ወገናት ቅልጡፍ ምቍራጽ ተጻብኦታት ክገብሩን ንሰብኣዊ ሓገዝ ኣፍደገ ክኸፍቱን ጸዊዐን። ብመሰረት ገምጋም ሕቡራት ሃገራት ኣስታት 5.5 ሚልዮን ህዝቢ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ክሳቐ እንከሎ፡ ኣብቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝርኣየሉ ዘሎ ክልል ትግራይ ከኣ ዛጊት 10% ናይቲ ዝድለ ሓገዝ ጥራይ ክባጻሕ ምኽኣሉ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ይውስኽ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%AA%E1%8C%A3%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%89%85%E1%88%8D%E1%8B%8D%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%93%E1%8B%AD-29-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8D%96%E1%8B%8D%E1%8A%95%E1%8B%B5-%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%88%8A%E1%8A%95%E1%8C%8D-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%89%A3%E1%8C%BA%E1%8B%93\/6275198.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ኣልጀርያ ኣብ ግድብ ህዳሴ ንኩሎም ወገናት ዘረዳድእ መርገጺ ክትሕዝ ምሕታታ ኣፍሊጣ","content":"ቀፃሊት ኣደመንበር ዓረብ ሊግ ክትኸውን ትፅቢት ዝገበረላ ኣልጀሪያ እቲ ሊግ ኣብ ዙሪያ ግድብ ህዳሴ ንኹሎም ወገናት ዘረዳድእ መርገፂ ክሕዝ ሓላፍነታ ክትዋፃእ ምግላፃ ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ። መበል 39 ስሩዕ ኣኼባ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሪቃ ሎሚ እውን ቀፂሉ ዝወዓለ ክኸውን ከሎ ጎኒ ንጎኒ እቲ ኣኼባ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣቶ ደመቀ መኮነን ምስ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ዝተፈላለዩ ሃገራት ተዘራሪቦም ኣለው።ሓደ ካብኦም ናይ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣልጀሪያ ኮይኖም ዓረብ ሊግ ኣብ ግድብ ህዳሴ ንኹሎም ወገናት ዘረዳድእ መርገፂ ክሕዝ ሃገሮም ከምእትሰርሕ ቃል ምእታዎም ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፆም። ብኻልእ ወገን ኢትዮጵያ ካብ ቱርኪ ኣፅዋር ገዚኣ ብዝብል ግብፂ ከምዘስግኣ ምግላፃ ብዝምልከት ንዝተልዓለ ሕቶ ኣምባሳደር ዲና ኣብ ዝሃቡዎ መልሲ ኢትዮጵያ ነፃ ሃገር ከም ምዃና ዝኾነ ይኹን ርክብ ናይ ምፍጣር መሰል ኣለዋ ኢሎም ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A0%E1%8B%B0-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%89%A5-%E1%88%8A%E1%8C%8D-%E1%8A%95%E1%89%B5%E1%8A%B8%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%8C%80%E1%88%AD%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%8A%95%E1%8A%A9%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8B%88%E1%8C%88%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%88%A8%E1%8B%B3%E1%8B%B5%E1%8A%A5-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%8C%88%E1%8C%BA-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%88%95%E1%8B%9D-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%89%B3%E1%89%B3-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A3-\/6272606.html"} {"headline":"ንፈነወ ድምጺ ኣመሪካ ኣገልግሎት ኣምሓርኛን ትግርኛን ዝምልከት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻዪዱ","content":"ንፈነወ ድምጺ ኣመሪካ ኣገልግሎት ኣምሓርኛን ትግርኛን ዝምልከት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻዪዱ:: እቲ ሎሚ ካብ ሰዓት 10:30 ንግሆ ብኣቆጻጽራ ሰዓት ዋሽንግተን ዲሲ፡ ተጋሩ ኢትዮጵያውያን ነበርቲ ዋሽንግተን ዲሲ ከባቢኣን ኣብ ቅድሚ ህንጻ ድምጺ ኣመሪካ ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም። ኣብቲ ኣስታት 150 ዝዀኑ ሰባት ዝተረኽብሉ ሰልፊ፡ ድምጺ ኣመሪካ ብሕልፊ ፈነወታት ኣምሓርኛን ትግርኛን ኣንጻር ክልል ትግራይ ዝገብረኦ ዘለዋ ኣድልዎን ዋሕዲ ሸፈነን ኮኒኖም። No media source currently available እቶም ሰልፈኛታት፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝግበር ዘሎ ሰብ-ሰራሕ ጥሜትን ካልእ ዕፈናን፡ ሓያሎ መራኸቢ ብዙሃን ዓለም ሸፈነ ኣብ ዝህባሉ እዋን፡ ፈነወ ድምጺ ኣመሪካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሕልፊ ኣገልግሎት ኣምሓርኛን ትግርኛን ግን ጸግዒ መንግታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከም ዝሓዘ መረረቶም ኣስምዖም። እቶም ሰልፈኛታት ወሲኾም፣ ንዳይረክተር ድምጺ ኣመሪካን ዝምልከቶም ጋዜጠኛታትን፡ ነቲ ዓመት ክሕዝ ዝቀራረብ ዘሎ ኲናት ትግራይ ዝመጣጠኖ ሸፈነ ክወሃቦ ጸዊዖም። ነቲ ሰልፊ ዝወደቡ ሰባት ቃለ መሕትት ንኽህቡና ሓቲትናዮም ነይርና ግን ፍቓደኛታት ኣይኰኑን። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ክፍሊ ህዝባዊ ርክባት ድምጺ ኣመሪካ ብኣገልግሎት ፈነወ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝቐረበሉ ሕቶ፤ “ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ኵነታት ብዘይሻራዊ ክንሽፍኖ ኣበርቲዕና ንሰርሕ ኢና። እቲ ዞባ ኣብ ቀጻሊ ግጭት ከም ዘሎ መጠን ከኣ ንርእይቶ በበይኖም ኣካላት ከነሳሲ ንፍትን። ስራሕና ውድዓዊን ጸግዒ ዘይብሉ ዜና ምዝርጋሕ ስለ ዝዀነ፡ እቶም ልዕሊ 12 ሚልዮን ዝበጽሑ ተኸታተልቲና ቋንቋታት ኣምሓርኛ፡ ትግርኛን ኣፋን ኦሮሞን ክንድኡ ምስዓቦም’ውን ሓደ መርኣያ’ዩ፡” ኢሉ ብጽሑፍ መሊሱ። እቲ ብቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ርክባት ዝወጸ ጽሑፍ ወሲኹ ኣብ ዝዀነ ግጭት ዝካየድሉ ኣከባቢ ዘይሻራዊ ሸፈነ ክህብ ከም ዝሰርሕ ገሊጹ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%8D%88%E1%8A%90%E1%8B%88-%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AD%E1%8A%9B%E1%8A%95-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AD%E1%8A%9B%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%88%9E-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AA%E1%8B%B1\/6272287.html"} {"headline":"ኣብ ምዕራብ ወለጋ ብዝተላዕለ ግጭትን መጥቓዕቲ ህይወት ብዙሓት ሰባት ምጥፍኡን ምዝንባሉን ነበርቲ ገሊጾም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ምብራቅ ወለጋ ወረዳ ኪረሙ ኣብ ጥቅምቲ 1ን 2ን,2014 ከም ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ብዝተላዕለ ግጭት ዝወረደ መጥቃዕቲን ህይወት ብዙሓት ሰባት ኣጥፊኡ ካብ ኣባይቶም ኣመዛቢሉን ክብሉ ነበርቲ ተዛሪቦም። ኣብዚ ጎንጺ 15 ሰባት ተቀቲሎም ልዕሊ 900 ተመዛቢሎም ክብሉ'ዉን ሓላፊ ኮሚኒኬሽን ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ ገሊጾም። ንሶም ብተወሳኺ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ \"ኦነግ ሸኔን ጽንፈኛ ኣምሓርኛ ተዛረብቲ ሸፋቱንእዮም\" ኢሎም'ለዉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8C%8B-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%88%85%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%99%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8C%A5%E1%8D%8D-%E1%8A%A1%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%89%E1%8A%95-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/6272249.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ተመራማሪ ስነ-ህይወት ባሕሪ ኣብ ጉዳይ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ተዓሺጋ ንነዊሕ ዓመታት ደው ዝበለት መርከብ","content":"ኤፍ.ስ.ኦ ሴፈር (FSO Safer) ዝተባህለት ኣብ የመን ተዓሺጋ ዘላ መርከብ ነዳዲ፡ ካብ እትብላሾ ነዊሕ ዓመታት ደኣ ተቝጽር እምበር፡ ተሰኪማቶ ዘላ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ናብ ባሕሪ ምስ ዝፈስስ ግን ህይወት ልዕሊ 8 ሚልዮን ሰባት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ’ዩ። ካብ በበይኑ ሃገራት ዝተዋጽኡ ተመራመርቲ ንሓደገኝነት ምፍሳስ ነዳዲ እታ መርከብ ኣመልኪቶም ድሕሪ ዝዘርግሑዎ ውጽኢት መጽናዕቲ ከም ብሓድሽ ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ዓለም ስሒቡ ኣሎ። ነዚ ዘንጸላሉ ዘሎ ሓደጋ ኣመልኪትና ንዶክተር መብራህቱ ኣተወብርሃን ኣዘራሪብናዮ ኣሎና። ዶክተር መብራህቱ ኣቐዲሙ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ መምህር ኣብ ክፍሊ ስነ-ህይወት ባሕሪ ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ተመሳሳሊ ዓውዲ ከም ኣማኻሪን ተመራማሪን ኰይኑ ይሰርሕ። No media source currently available ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%9B%E1%88%AA-%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%88%85%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%88%E1%88%9B%E1%8C%8D%E1%88%9D-%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%88%95-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%88%BA%E1%8C%8B-%E1%8A%95%E1%8A%90%E1%8B%8A%E1%88%95-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%88%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5-\/6270959.html"} {"headline":"ፕረ.ባይደን ንፕረ.ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ዋይት ሃውስ ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም","content":"ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፣ ንፈለማ ጊዜ ንኣፍሪቃዊ መራሒ ኣብ ዋይት ሃውስ ብምትእንጋድ፣ ንፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ሎሚ ሓሙስ ተቀቢሎም: ኣዘራሪቦም። ብመሰረት ዋይት ሃውስ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ኣኼባ ንጉዳያት ዴሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን ከምኡ'ውን ጸጥታዊን ቁጠባዊ ምዕባለን ለውጢ ኩነታት ኣየርን ከምዘጠቃልል ምዃኑ ኣፍሊጡ። እቲ ናይ ሎሚ ሓሙስ ርክብ ባይደንን ኬንያታን ይሳለጥ ዘሎ፣ ኣብ ጎረቤት ኬንያ ዝኾነት ኢትዮጵያ ውግእን ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን’ዩ። ቅድሚ ትማሊ ሰሉስ ንሕቡራት ሃገራት ሪፖርት ዘቅረቡ ኬንያታ \"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ውግእ ተጸሚዶም ዘለው ሓይልታት፣ እቲ ግጭት ወትሃደራዊ መዕለቢ ስለዘይረክብ፣ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክገብርሉ\" ከምዝግባእ ጠቂሶም ኔሮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%8B%B0%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8A%AC%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%8A%A1%E1%88%81%E1%88%A9-%E1%8A%AC%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%89%B3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8B%E1%8B%AD%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8B%8D%E1%88%B5-%E1%89%B0%E1%89%90%E1%89%A2%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/6270941.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘጋጠሙ ጸገማት ምስ ሕ\/ኣፍሪቃ ኮይኑ ንምፍታሕ ቅሩብ ምዃኑ ገሊጹ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ንዘጋጠሙ ጸገማት ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ንምፍታሕ ቅሩብ ከምዝኾነ ምክትል ቀ\/ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ኣቶ ደመቀ መኮንን ከምዝገለጹ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ’ታ ሃገር ኣፍሊጡ። ኣቶ ደመቀ ሎሚ ኣብ ኣኼባ ሚኒስትራት ወጻኢ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ’ዮም ነዚ ዝተባሃለ ገሊጾም። ምክትል ቀ\/ሚ ደመቀ መኮንን ‘ኣብ ዕጹው ኣኼባ’ ከምዝተዛረቡ’ውን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝሃቦ ሓበሬታ ጠቂሱ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%99-%E1%8C%B8%E1%8C%88%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%AE%E1%8B%AD%E1%8A%91-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%88%95-%E1%89%85%E1%88%A9%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%91-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6270917.html"} {"headline":"“እንኮ መፍትሒ ግጭት ኢትዮጵያ ዘተ ጥራይ’ዩ” ላዕለዎት ሰበ- ስልጣን ኣመሪካ","content":"ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብልኪንከን፡ ትማሊ ኣብ ዝዘርግሑዎ ሓጺር ናይ ትዊተር መልእኽቲ፡ ንጉዳይ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ምስ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሰገን ኣባሳንጆ ከምኡ’ውን ዋና ጸሓፊ ውድብ ኢጋድ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክን ካልኦት ከም ዝተዘራረቡ ገሊጾም። ብሊንከን ምስ ወሰንቲ ኣካላት ኢትዮጵያ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ጀርመንን ምዝታዮም’ውን ወሲኾም ሓቢሮም። ብመሰረት ሓበሬታ ትዊተር ብሊንከን፡ ኵሎም ተጋባእቲ ወገናት እቲ እንኮ መፍትሒ ምቍራጽ ተጻብኦታት፡ ዘተን ንዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ መገዲ ምኽፋትን ምዃኑ’ውን ኣስሚሮም። ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፡ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳድር ጀፈሪ ፈልትማንን ሓላፊት ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣመሪካ (USAID) ሳማንታ ፖወርን’ውን ንዝማዕበላ ሃገራት ጕጅለ 7ን ካልኦት ዓበይቲ ለገስቲ ሃገራትን ዝሓቖፈ ፍሉይ ርክብ ኣካዪዶም። ብመሰረት ጋዜጣዊ መግለጺ ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣመሪካ፡ እቶም ላዕለዎት ተወከልቲ፡ ኣብቲ 11 ኣዋርሕ ኣቝጺሩ ዘሎ ግጭት ክልል ትግራይ፡ ምስቲ ዳሕራይ ናብ ጎረባብቲ ክልላት’ውን ምልሓሙ፡ ቀንዲ ግዳያት ኰይኖም ዘለዉ ሰለማውያን ህዝቢ ምዃኑ ጠቒሱ። ንዅላቶም ኣብቲ ኲናት ኢድ ዘለዎም ወገናት ድማ ንዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ማዕጾ ክኸፍቱ ጸዊዖም። ንምብራር ናይ ቀረባ እዋን ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብ ኢትዮጵያ ዝዀነኑ እቶም ተዛተይቲ፡ ኣብቲ ኲናት በደል ዝፍጽሙ ዘለዉ ኣካላት ዝግበኦም ፍርዳዊ መስርሕ ክቕበሉ ጸዊዖም። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሎሚ 13 ጥቅምቲ,2021 ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ነቲ ብዂናትን ምምዝባልን ተዓብሊሉ ዘሎ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝኸውን ተወሳኺ 26 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ምብርካቱ ኣፍሊጡ። እቲ ብቤት ጽሕፈት ብሊንከን ኣቢሉ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዘነጽሮ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ኣመሪካ፡663 ሚልዮን ዶላር ንሰብኣዊ ሓገዝ ወፍያ ኣላ። እቲ ሓገዝ ነቶም ካብ 6-7 ሚልዮን ዝበጽሑ ተመዛበልቲን ኣብ ድርኵኺት ዓጸቦ ዝርከቡ ኣስታት 900 ሽሕ ዝበጽሑ ዜጋታትን ዝውዕል ክኸውን እንከሎ፡ ነቶም ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ኣስታት 48፡ሽሕ ዝበጽሑ ተመዛበልቲ’ውን ክበጻሕ ምዃኑ እቲ መግለጺ የመልክት።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%8A%AE-%E1%88%98%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%92-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%8C%A5%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%A9-%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-\/6269010.html"} {"headline":"ፕረዚደንት ኬንያታ ኣብ መንጎ ህወሓትን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዘተ ክግበር ይጽውዑ","content":"ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁር ኬንያታ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካይደ ዘሎ ኲናት ንምዕራፍ፡ ኣብ መንጎ ህወሓትን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዘተ ክግበር ይጽውዑ ኣለዉ። ድሕሪ ርክብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኬንያታ፡ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝሃቡዎ ሓጺር ጋዜጣዊ ቃል፡ ነቲ ግጭት ወተሃደራዊ መፍትሒ የብሉን ድሕሪ ምባል፡ እቲ እንኮ መዕረፊ ዘተ ምዃኑ ተዛሪቦም። ኬንያታ ካብቲ ንላዕለዎት መሪሕነት ዘሳተፈ ዘተ ኣብ ጉዳይ ምውሓስ ሰላምን ተሳታፍነትን ክመርሑ’ዮም ናብ ባይቶ ጸጥታ ተጓዒዞም። ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያ’ውን ስለ እትዳወብ ኣብቲ ግጭት ዘለዎም ቅርበት ዝገለጹ ኬንያታ፡ ክልተ ተቐናቐንቲ ወገናት ኲናት ደው ከብሉን ንዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ክፈቕዱን ጸዊዕም። ኬንያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንዘይቀዋሚ መንበር ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝበቕዐት ክትከውን እንከላ፡ ኣብቲ ወርሓዊ ዝዘውር መሪሕነት ሃገራት’ውን ኣብዚ ወርሒ’ዚ ፕረዚደንት እቲ ባይቶ ኰይና ኣላ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8A%AC%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%89%B3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8E-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%8A%AD%E1%8C%8D%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8B%AD%E1%8C%BD%E1%8B%8D%E1%8B%91\/6268976.html"} {"headline":"ኲናት ኣብ ዝካየደሎ ዘሎ ኣርባዕተ ዞባታት ክልል ኣምሓራ 1.5 ሚልዮን ተማሃሮ ትምህርቶም ምቁራጾም ተገሊጹ","content":"ኲናት ኣብ ዝኻየደለን ዘሎ ኣርባዕተ ዞባታት ክልል ኣምሓራ ዝመሃሩ ዝነበሩ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ተማሃሮ ትምህርቶም ከምዘቛረጹ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ። ምኽትል ቢሮ እቲ ክልል ኣቶ ጌታቸው ቢያዝን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሸባሪ ክብል ዝሰዮሞ፥ ሓይልታት ትግራይ እናበሉ ንርእሱ ዝጸውዕ ኣካል ወረራ ፈጺምሎም ኣብ ዝበሃሉ ከባቢታት ልዕሊ 1,005 ኣብያተ ትምህርቲ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብኸፊሉ ዓንዩ እዩ ኢሎም። ህወሓት ግን ነቲ ኣዕንዩ ዝብል ክሲ ኣይቅበሎንእዩ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ብኹናት ዓንዩም ንዝተባህሉ ኣብያትር ትምህርቲ ንምጥያስ 100 ሚልዮን ብር ሓገዝ ካብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ከምዝተገብረ ይዝከር ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B0%E1%88%8E-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8A%A3%E1%88%AD%E1%89%A3%E1%8B%95%E1%89%B0-%E1%8B%9E%E1%89%A3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-1-5-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%83%E1%88%AE-%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B6-%E1%88%9D%E1%89%81%E1%88%AB%E1%8C%BE%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6269347.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ህወሓት ኣብ ዝተቆጻጸሮም ከባቢታት ሰሜን ወሎን ጎንደርን መሰረተ ልምዓት ህዝቢ ኣዕንዩ ክብል ከሲሱ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ህወሓት ኣብ ዝተቖፃፀሮም ከባቢታት ሰሜን ወሎን ጎንደርን ኮነ ኢሉ መሰረተ ልምዓታት ህዝቢ ኣዕኒዩ ክብል ከሲሱ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣሸባሪ ኢሉ ናይ ዝፀውዖ ህወሓት ወታሃደራትን ተሓባበርቶምን ዝበፅሐ ኣእኻል ይዘርፉ ምህላዎም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሓረስቶት ሪፖርት ይገብሩ ኣለው ክብል ሓቢሩ።እቲ ሚኒስትሪ ኣብ መግለፂኡ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ውልቀሰባት ኣውሪዱዎ ካብ ዝበሎ ጉድኣት ብተወሳኺ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት እቲ ማሕበረሰብ ዝጥቀመሎም ዝበሎም ትካላት ኣዕኒዩ ክብል ገሊፁ። እቲ መግለፂ እዚ ኣብ መንጎ ህዝቢታት ኣምሓራን ትግራይን ፅልእን ቅርሕንት ዝፈጥር እዩ ኢሉ ኣሎ ። ህወሓት ብዛዕባ እዚ ዳሕረዋይ ክሲ ዝሃቦ መልሲ የለን።ቅድሚ ሎሚ ኣብ ዝሃቦም መግለፅታት ግን ንዝቐርቦም ክስታት ብምንፃግ ተፈፂሞም ዝብሃሉ ክስታት ኩሎም ብነፃ ወገን ክፃረዩ ክፅውዕ ፀኒሑ እዩ። እዚ ሓዲሽ መግለጺ ዝስማዕ ዘሎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኹሉ ግንባራት መጥቃዕቲ ከፊቱለይ ክብል ህወሓት ንዓለምለኸ ማሕበረሰብ ምሕጽንታ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ'ቲ ዝተባህለ ሓዲሽ መጥቃዕቲ ቀጥታዉ ምላሽ ኣይሃበን፡ እንተኾነ ሓላፊት ፕረስ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ዝኾነት ቢል ለኔ ስዩም ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኩሉ ከባብታት እታ ሃገር ንዝርከቡ ዜጋታቱ ካብ ተግባር ሽበራ ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ኣለዎ እዩ ምባላ ሮይተርስ ጠቒሱ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%86%E1%8C%BB%E1%8C%B8%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%8B%88%E1%88%8E%E1%8A%95-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%A8%E1%89%B0-%E1%88%8D%E1%88%9D%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8A%A3%E1%8B%95%E1%8A%95%E1%8B%A9-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%A8%E1%88%B2%E1%88%B1\/6267821.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ ኣብ ሊብያ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዓቐኑ ዝሓለፈ ሓይሊ ኔሩ ብምባል መርመራ ክካየድ ጸዊዑ","content":"ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ዓቐኑ ዝሓለፈ ሓይሊ ምጥቃም ኔሩ ብዝብል መርመራ ክግበረሉ ጸዊዑ። ቅድሚ ሓደ ሰሙን ልዕሊ 5 ሺሕ ሰባት ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ተጸቓቒጦም ተኣሲሮም ምንባሮም ተሓቢሩ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8A%E1%89%A5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%93%E1%89%90%E1%8A%91-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%88%88%E1%8D%88-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%8A%94%E1%88%A9-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8A%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%91\/6267716.html"} {"headline":"ቤት ጽሕፈት ሕ\/ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ፡ “ዘይተፈቐደ” ቃለ-ምልልስ ንዘካየደት ሰራሕተኛኡ የደስክል","content":"ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ንሓላፊት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት (IOM)፡ ዘይተፈቕዳ ቃለ፡ምልልስ ገይራ ብምባል ካብ መዝነታ ተኣልያ ኣብ ዕረፍቲ ክትጸንሕ መምርሒ ሂቡ። እታ ካብ ስራሓ ዝደስከለት፡ ማውሪን ኣሺንግ፡ ኣብቲ ንሓደ ጋዜጠኛ ዝሃበቶ’ሞ ዳሕራይ ልሒኹ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዘውር ዝቐነየ ቃለ፡ምልልስ፡ ላዕለዎት መራሕቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ምስ ትግራይ ንዝደናገጹ ሰራሕኛታት ከም ዘድሉ ትጠቅስ። ኣብቲ “ተቖራሪጹን ዘይግቡእ መልክዕ ሒዙ ወጺኡን” ዝበለቶ ቃለ፡ምልልስ፡ እታ በዓልቲ ስልጣን፡ ንህወሓት ክፅልፍን ንትግራይ ክትምለስ ከም ዘይትደሊን’ውን ትገልጽ’ያ። እታ ሓላፊት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ንመራሕቲ ህወሓት እውን፡ ኣብቲ ኲናት ከዕስክሩ ብዝብል ሓሳብ፡ ኣብ ስዑዲያ ንዝርከቡ መንእሰያት ናብ ርዋንዳ ክስጎጉ ይሰርሑ’ዮም ዝብል ክሲ ኣቕሪባ ነይራ ። ብመሰረት ካብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ዝወጸ መግለጺ እምበኣር፡ ርእይቶ ማውሪን ኣሺንግ፡ ንዘይሻራዊ መትከላት እቲ ትካል ዝጻረር ብምባል’ዩ ካብ ስራሓ ክትጽንሕ ወሲኑ ዘሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8C%BD%E1%88%95%E1%8D%88%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%89%90%E1%8B%B0-%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%88%8D%E1%88%B5-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%8A%A1-%E1%8B%A8%E1%8B%B0%E1%88%B5%E1%8A%AD%E1%88%8D\/6267476.html"} {"headline":"ኣብ ውድድር ቻምፒዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ታሪኻዊ ዓወት ዘመዝገበት ሃገራዊ ጋንታ ኤርትራ መተባብዕን ኣቀባብላን ተገይሩላ","content":"ኣብ ውድድር ቻምፒዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ታሪኻዊ ዓወት ዘመዝገበት ሃገራዊ ጋንታ ኤርትራ መተባብዕን ኣቀባብላን ተገይሩላ። ኣብ በልጅየም ኣብ ዝተኻየደ መበል 87 ቻንፕዮንን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ብመንገዲ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ናይ ብሩር ሽልማት ብምርካብ ታሪኻዊ ዓወት ዘመዝገበት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ቀዳም 9 መስከረም ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ መተባብዒ ብኣፍቀርቲ ስፖርት ከኣ ኣቀባብላ ተገይሩላ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%8B%B5%E1%88%AD-%E1%89%BB%E1%88%9D%E1%8D%92%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%89%85%E1%8B%B5%E1%8B%B5%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%88%BD%E1%8A%AD%E1%88%88%E1%89%B3-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%89%B3%E1%88%AA%E1%8A%BB%E1%8B%8A-%E1%8B%93%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8C%8B%E1%8A%95%E1%89%B3-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%98%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%8B%95%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%80%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%8B%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%8B%AD%E1%88%A9%E1%88%8B\/6266135.html"} {"headline":"ወሃቢ ቃል ህወሓት: ሰራዊት ኢትዮጵያ መጥቓዕቲ ምጅማሩ ምግላጾም ሮይተርስ ሓቢሩ","content":"ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ንገዛእ ርእሶም“ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ” ኢሎም ዝጽውዑ ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ግን ተዋጋእቲ ኣካል’ቲ ኣሸባሪ ዝተሰምየ ውድብ እዮም ዝብሎም ሓይልታት ሎሚ ሶኑይ ወታሃደራዊ መጥቓዕቲ ምፍናው ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህወሓት) ገሊፁ። ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንሮይተርስ ብቴሌፎን ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ብምትሕብባር ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልል ኣምሓራ ንምውፃእ መጥቓዕቲ ፈፂሞም ኣለው ኢሎም። ሮይተርስ ንናይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ መግለፂ ብነፃ ወገን ኣይረጋገፆን። መጥቓዕቲ ተፈፂሙ እንተኾይኑ ዝተሓተታ ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝኾና ቢልለኔ ስዩም መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መላእ'ታ እታ ሃገር ንዝርከቡ ዜጋታቱ ካብ ተግባራት ግብረ ሽበራ ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ኣለዎ ክብላ መሊሰን። ንሰን ተወሳኺ መብርሂ ከይሃባ\"መንግስቲ ኢትዮጵያ ህወሓት ኣብ ክልል ኣምሓራን ካልኦት ከባቢታትን ንዝፍፅሞ ዕንወት፣ህውከትን ቅትለትን ምምካቱ ክቅፅል እዩ’’ ኢለን ። ቤት ፅሕፈት ኣቶ ጌታቸው ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ\"11 ጥቅምቲ ንጉሆ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ፍሉይ ሓይልታት ኣምሓራ ብምትሕብባር ኣብ ኩሎም ግንባራት ዝተዋደደ መጥቓዕቲ ፈፂሙ ኣሎ’’ኢሉ ።እቶም ሓይልታት ኣብ ወገልጤና፣ውርጌሳን ሃሮን ደብዳብ ከቢድ ብረት፣ናይ ውግእ ነፈርቲ፣ ድሮናት፣ ታንክታትን ተወንጨፍቲ ሮኬታትን ምጥቃሞም እቲ መግለፂ ሓቢሩ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6266349.html"} {"headline":"ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ መበል 11 ክልል ንምምስራት ዘኽእል ህዝበ ውሳነ ምኽያዱ ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ መበል 11 ክልል ንምምስራት ዘኽእል ህዝበ ውሳነ ምክያዱ ቦርድ ምርጫ ኣፍሊጡ:: ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ሎሚ ሶኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ 20 መስከረም 2004ዓ\\ም ብዝተኻየደ ህዝበ ውሳነ ኣብ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ሓሙሽተ ዞባታትን ሓደ ፍሉይ ወረዳን ብሓዱሽ ክልል ክውደቡ ዘኽእሎም ዝለዓለ ድምፂ ረኺቦም ኣለው። ኣብ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ክልል ንምምስራት ህዝበ ውሳነ ክካየድ እዚ ናይ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ንካልኣይ ግዜ እዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A6%E1%88%AD%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%98%E1%89%A0%E1%88%8D-11-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%8A%BD%E1%8A%A5%E1%88%8D-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A0-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%8B%AB%E1%8B%B1-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6266312.html"} {"headline":"ኦቻ ሓገዝ ናብ ክልል ትግራይ ከቕርብ ከምዘይከአለ ይገልጽ: መንግስቲ ግን መግቢ ተንከፍ ዘይኾነ ሓገዝ ምብጽሑ ይገልጽ","content":"ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ትፅሕፈት ኣወሃዲ ሰብኣዊ ጉዳያት ኦቻ ሕጂ እውን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ እኹል ሓገዝ ከምዘየቕረበ ኣፍሊጡ ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ግን ኣብዚ ሰሙን መግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ቀረባት ብነፈርቲ ከይተረፈ ናብ ክልል ትግራይ ተላኢኹ ክብል ሓቢሩ። ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብወገኖም ኣብ ምዕራብ ዓለም ዘለው ኣካላት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝግበር ፃዕሪ ዋጋ ኣይህብዎን ዘሎ ክብሉ ነቒፎም ኣለው። ኦቻ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰብኣዊ ረድኤት ዝፀዓና 80 መካይን ናብ ክልል ትግራይ ምእታወን ኣፍሊጡ ኣሎ። ካብ መጀመሪያ ሓምለ ጀሚሩ 686 መካይን ረድኤት ፅዒነን ናብ ትግራይ ምእታወን ዝሓበረ ኦቻ እዚ ግን ካብ ዘድሊ መጠን ረድኤት 12 ሚእታዊት ጥራሕ እዩ ይብል። ወሃቢ ቃል ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ብዛዕባ እቲ ሕፅረት ተሓቲቶም ፀገማት እንተሃለው እውን ተጋኒኑ ይቐርብ ኣሎ ኢሎም። ብመሰረት ቤት ፅሕፈት ኣዋሃዲ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት መንግስታት ኦቻ ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ንምምላእ ኣብ መዓልቲ 100 መካይን ናብቲ ክልል ክኣትዋ ኣለወን ። ናብ ክልል ትግራይ ናይ መወዳእታ ነዳዲ ዝኣተወ ኣብ ፍርቂ ሓምለ ከምዝነበረ ዘዘኻኸረ እቲ መግለፂ ብርክት ዝበሉ ትካላት ረድኤት ብሰንኪ ሕፅረት ነዳዲ ናብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ምኻድ ከምዘይተኽኣለ ሓቢሩ ኣሎ። ኣምባሳደርዲና ሙፍቲ ቴክኒካዊ ዝኾኑ ነገራት በብእዋኑ ንምፍታሕ ፃዕሪ ይካየድ ኣሎ ኢሎም። ኦቻ ቀረባት መድሃኒትን ሕክምናን ብምህላው ኣብ ዓይደር ሆስፒታ 18 ሰባት ምሟቶምን ናይ ዅሊት ምህጻብ\\ዳያለሲስ\\ ብቕልጡፍ እንተደአ vቀሪቡ ህይውት 34 ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ ይብል። ኣብ ደቡብ ትግራይ ወረዳ ስላዋ ኣብ እዋን ወሊድ ሕክምና ብዘይ ምርካበን ደም ፈሲሱወን ሓሙሽተ ኣዴታት ሞይተን ኣለዋ። ኦቻ ወሲኹ ስኣን ዓቕሚ ኣብዚ ሕጂ ስዓት ትካላት ረድኤት ካብ 125 ትካላት ጥዕና ን13 ትካላት ጥዕናን ጥራሕ ከምዝሕግዙ ኣፍሊጡ ኣሎ። ብኻሊእ ወገን ድማ ናይ ሕቡራት መንግስታት ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ክልላት ዓፋርን ክልል ኣምሓራን ንዝተፀገሙ ሰባት ናይ መጀመሪያ ዙር ምክፍፋል ምግቢ ከምዝወገነ ኣብ ኢትዮጵያ ወሃቢት ቃል ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ገማ ስኖውደን ኣፍሊጠን።ኣብ ትግራይ ግን ዝተፈላለዩ ዕንቅፋታት ዝፈጥሩዎ ሕፅረጵ ቀረባት ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘሎ ወሲኸን ገሊፀን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A6%E1%89%BB-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A8%E1%89%95%E1%88%AD%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8A%A8%E1%8A%A0%E1%88%88-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%BD-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8C%8D%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%89%B0%E1%8A%95%E1%8A%A8%E1%8D%8D-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8A%BE%E1%8A%90-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%88%91-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%BD\/6263386.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ቁጫ አባላቱ ይእሰሩ ምህላዎም ይከስስ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ዞባ ጋሞ ወረዳ ቁጫ ኣባላት ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ቁጫ ብፖለቲካዊ መሪገፂኦም ምኽኒያት ብሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ በብመዓልቱ ይእሰሩ ኣለው ክብል እቲ ፓርቲ ከሲሱ። እቲ ፓርቲ ወሲኹ ክሳብ ሎሚ ተኣሲሮምኒ ዝበሎም ልዕሊ 150 ኣባላት ምዃኖም እቲ ፓርቲ ገሊፁ። ኣማሓዳሪ ዞባ ጋሞ ኣቶ ብርሃኑ ዘውደ ግን እቶም ውልቀሰባት ዝተኣሰሩ ገበን ፈፂሞም ብዝብል ተጠርቲሮም እዮም ክብሉ ነቲ ክሲ ነፂጎምዎ ኣለው። ዜጋታት ምእሳሮምን መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈፀሞምን ሓበሬታ በፂሑኒ ኣሎ ዝበለ ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ጉባኤ ዝምልከቶም ኣካላት ምፅራይ ብምግባር ቕልጡፍ ፍታሕ ክህብሉ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%B2%E1%88%9E%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%88%B2%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%81%E1%8C%AB-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B1-%E1%8B%AD%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%88%A9-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%8B%AD%E1%8A%A8%E1%88%B5%E1%88%B5-\/6263368.html"} {"headline":"ኣብ ፓኪስታን ብዘጋጠመ ምንቅጥቓጥ መሬት 20 ሰባት ሞይቶም","content":"5.7 ማግኒትዩድ ዝዓቀኑ ሎሚ ሓሙስ አብ ደቡባዊ ምዕራብ ፓኪስታን ዘጋጠመ ምንቕጥቓጥ መሬት ብውሑድ ን20 ሰባት ከምዝቀተለን ልዕሊ 200 ሰባት ከምዘቁሰለን ተፈሊጡ። ማእከል እቲ ምንቕጥቓጥ መሬት ዘጋጠመሉ ስፍራ ኣብ ጥቃ ዶብ ምስ ኣፍጋኒስታን ኮይኑ፣ ኣብ ዕምቆት 20 ኪ.ሜ ከምዝተላዓለ፣ ትካል ምርምር ጂኦሎጂ ኣመሪካ ጠቂሱ። ከሰል ዝወጸላ አብ ክፍለ ሃገር ባሉችስታን ዘላ ከተማ ሃርናይ ምሒር ዝተጠቅዐት ከምዝኾነት፣ ብሕልፊ ካብ ጭቃ ዝተሃነጹ ኣባይቲ ዝያዳ ከምዝዓነው፣ ነበርቶም ድማ ደቂሶም ስለዝነበሩ በቲ ፍርስራስ ተጎዲኦም አለው። ደቂ ኣንስትዮንን ቆልዑን ድማ ብዝበለጸ ግዳያት ኮይኖም አለው። አብ’ቲ ከሰል ዝወጸሉ ከባቢ ናብ ዝበጽሐ ሓደጋ ንምብጻሕ ነዊሕ ሰዓታት ከምዝወስድ’ውን ሰበ ስልጣን ፓኪስታን ይገልጹ። ሰራዊት ፓኪስታን ብወገኑ፣ ሰራዊትን ሄሊኮፕተራትን ነቲ መስርሕ ሓገዝ ንምድጋፍ ኣዋፊሩ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8D%93%E1%8A%AA%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8C%A5-%E1%88%98%E1%88%AC%E1%89%B5-20-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/6261634.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ ኣብ ጉዳይ ካብ ኢትዮጵያ ዝተሰጎጉ ሰበ ስልጣን ሕ\/ሃ","content":"ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኢትዮጵያ ንሸውዓተ ሰበስክጣን ሕቡራት መንግስታት ካብ ሃገራት ምብራራ ብዝምልከት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ትማሊ ረቡዕ ኣብዘካየደ ቅሉዕ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ መንግስቲ ኢትዮጵያ መብዛሕቲኦም ሰራሕተኛታት ሰብኣዊነት ንዝኾኑ ሸውዓተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሕቡራት መንግስታት ምብራራ ዘሰንብድ እዩ ኢሎምዎ።ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ሊንዳ ቶምሳ ግሪንፊልድ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ከይኣቲ ዕንቅፋት ይፈጥር ኣሎ ክብላ ከሲሰን።ኣምባሳደር ሊንዳ ንምብራር ሰበስልጣን ሕቡራት መንግስታት ብምኹናን ኣባላት ቤት ምኽሪ ስጉምቲ ክወስዱን እቶም ዝተባረሩ ብቅልጡፍ ናብ ስርሖም ክምለሱን ፀዊዐን።ኣምባሳደራት ቻይናን ሩሲያን ግጭት ትግራይ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ እዩ ኢለን።ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ታየ ኣፅቀስላሴ ናብ ሃገራ መን ይእቶ፣መን ይፅናሕ፣መን ይውፃእ ናይ ምውሳን ልኡላዊ መሰል ኢትዮጵያ እዩ ኢሎም። No media source currently available ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ትማሊ ረቡዕ ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ሸውዓተ ሰበስልጣን ሕቡራት መንግስታት ኣብ ጉዳያት ኢትዮጵያ ጣልቃ ይኣትው ነይሮም ዝብል ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቐረቡ ክስታት መርትዖ ሓቲቶም ኣለው። ‘’ብዛዕባ እዞም ዝተሰጉ ኣባላት ሕቡራት መንግስታት ብዝምልከት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ዝኾነ ይኹን ትካላት ሕቡራት መንግስታት ዝቐረበ ናይ ፅሑፍ ሰነድ እንተሃሊዩ ቅዳሕ ክወሃበኒ እደሊ እየ፤ምኽኒያቱ ዋላ ሓደ ዝፈልጦ ነገር የብለይን’’ ኢሎም እቶም ዋና ፀሓፊ። ልዕሊ ሓሙሽ ሚሊዮን ሰባት ኣብ ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ትግራይ፣ኣምሓራን ዓፋርን ኣስታት ሸውዓተ ሚሊዮን ሰባት ሓገዝ ምግብን ካልኦት ህፁፅ ደገፍን የድልዮም እዩ ኢሎም። ህይወት ኣድሕን ስራሕቲ ሰብኣዊነት ተሃሲዮም ኣለው ዝበሉ ንሶም ኣብ ባይታ ዝንቀሳቐሱ መሳርሕቶም ምስ ጥምየት ዝተኣሳሰረ ሞት ሓዊሱ ዘስንብድ ስቓይ መሰኻኽር ዓይኒ ብምጥቃስ ይገልፁሎም ከምዘለው ሓቢሮም። ‘’እታ ሃገር ቅልጡፍ ጠመተ ዘድልዮም ሰፊሕ ሰብኣዊ ቅልውላው ገጢሙዋ’’ ዝበሉ ዋና ፀሓፊ ጉተረዝ ‘’ኩሎም ፃዕርታት ህወይት ኣብ ምድሓንን ሰፊሕ ሰብኣዊ ሰቐቐንን ኣብ ምውጋድን ክኸውን ኣለዎ’’ ኢሎም።’’መንግስቲ ኢትዮጵያ መብዛሕቲኦም ሰራሕተኛታት ሰብኣዊነት ንዝኾኑ ሸውዓተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሕቡራት መንግስታት ምብራራ ዘሰንብድ እዩ።እዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ምብራር ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስታትን ኣባላት ሃገራትን ዝ ህሊ ርክብ ዋና መሰረት ስለዝኾነ ንኹላትና ብዓሚቕ ዘተሓሳስብ ክኸውን ኣለዎ’’ኢሎም። ጉተርዝ ሰበስልጣን ሕቡራት መንግስታትን ትካላት ረድኤትን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንፃዕርታት ዘድሊ ረድኤት ከይኣቲ ናይ ምዕፃው ፃዕርታት የካይድ ኣሎ ኢሎም። ‘’መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ነዳዲ፣ ገንዘብ፣ መሳርሕታት ኮሚኒኬሽን ሰብኣዊ ቀረባትን ናብቶም ክልላት ክኣቲ ክፈቅድ አተሓሳስብ ኣለኹ።ኩሎም ኣባላት በት ምኽሪ ፀጥታ ደድሕሪ ፃውዒት ሕቡራት መንግስታትን ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው መሻርኽቱን ክሓብሩ እምሕፀን ኣለኹ’’ ኢሎም ንሶም ብምውሳኽ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ታየ ኣስቀ ስላሴ ሰራሕተኛታት ሕቡራት መንግስታት ናይ ሓሶት ቁፅሪ ብምፍጣር፣ጥምየት ከም መሳርሒ ኵናት ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ኣሎ፣ሰባት ብጥምየት ይሞቱ ኣለው ብምባልን ኸሲሶም ኣለው። ምብራር ናይ መጀመሪያ ስጉምትና ኣይነበረን ዝበሉ ኣማባሳደር ታየ ሻቖለትና ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ንሰበስልጣን ሕቡራት መንግስታት ገሊፅና ኢና ኢሎም።’'8 ሓምለ 2021 ምኽትል ቀዳማይ ምንስቴርን ናይ ወፃኢ ምንስቴርን ኢትዮጵያ ብሰራሕተኛ ሕቡራት መንግስታት ዝተፈፀሙ ጉድለታት ስነምግባር ብዝርዝር ንቤት ፅሕፈት ሕቡራት መንግስታት ደብዳቤ ልኢኾም እዮም።ንገለ ሰራሕተኛታት ፀዊዕና እውን ኣጠንቂቕናዮም ኢና።እንተኾነ እቲ ጉድለት ስነ ምግባር ቀፂሉ እዩ’’ ኢሎም። ናብ ሃገራ መን ይእቶ፣መን ይፅናሕ፣መን ይውፃእ ናይ ምውሳን ልኡላዊ መሰል ኢትዮጵያ እዩ ኢሎም ኣምባሳደር ታየ ኣፅቀስላሴ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ሊንዳ ቶምሳ ግሪንፊልድ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ከይኣቲ ዕንቅፋይ ይፈጥር ኣሎ ክብላ ከሲሰን።ኣምባሳደር ሊንዳ ንምብራር ሰበስልጣን ሕቡራት መንግስታት ብምኹናን ኣባላት ቤት ምኽሪ ስጉምቲ ክወስዱን እቶም ዝተባረሩ ብቅልጡፍ ናብ ስርሖም ክምለሱን ፀዊዐን። ተግባራት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣስገዳድ ፆታዊ መድፈርቲን ጥምየትን ሓዊሱ ከም መሳርሒ ኵናት ምጥቃም ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ስቪላት ህውከት ምፍፃምን ንሰራሕተኛታት ሕቡራት መንግስታት ምብራርን ንምክልባትን ንምዕፋንን ኮነ ተባሂሉ ዝስራሕ ናይ ምስንኻል ተግባር እዩ ኢለን። እቲ ናይ ጥምየት ኩበታት ኣብ ሶማሊያ ኣብ 2011 ኣ\\ፈ ምስ ዝነበረ ዝመሳሰል እዩ እውን ኢለን ብምውሳኽ። ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣምባሳደራት ኣየርላንድ፣ ብሪታኒያን፣ኢስቶኒያን ካልኦት ነቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዋና ፀሓፊ ዝደገፉ ክኾኑ ከለው ኣምባሳደራት ቻይና፣ሩሲያን ብቱንዚያ ዝምራሕ ጉጅለን እቲ ጉዳይ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ውሽጢ ጉዳይ እዩ ኢሎምዎ ኣለው። ብፍላይ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ቀዋሚት ወኪል ፌደረሽን ሩሲያ ኣምባሳደር ኣና ኤቪስቲግኒቫ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝካየድ ፀቕጢ ተቓዊመን ኣለዋ።’’ናይዚ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ምፍርራሕን ውሳነታትን ዘይሕጋዊ በይናዊ እገዳ ምንባርን ብሚዲያ ዝፍጠር መርዛም ሃዋህውን ነቲ ኩነታት ዘጋድ ድ እዩ’’ ኢለን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%8C%8E%E1%8C%89-%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%88%95-%E1%88%83-\/6261618.html"} {"headline":"ብድሆን ዕድላትን ሓድሽ ምምሕዳር ኢትዮጵያ","content":"ዕድላትን ብድሆታትን ድሕሪ ምርጫ ኢትዮጵያን ምምስራት ሓድሽ ካቢነን ፕሮፈሰር ዓወት ተወልደ ወልደሚካኤል፡ መምህር ታሪኽን ተመራማሪ ጉዳያት ኣፍሪቃን ኣብ ኲንስ ዩኒቨርስቲ ካናዳ ከምኡ’ውን ናይ ኪነ ህንጻ ምሁር (ኣርክቴክት) ኤርሚያስ ኣማረ ቅድም ክብል ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ዝነበረ፣ ሕጂ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ናይ ህንጻ ኩባኒያ ዝሰርሕን ናይ ቀረባ ተኸታትሊ ጉዳይት ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪቃን’ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ዘተ ኣብዚ ምስማዕ ይክ ኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/people-to-people-challenges-and-opportunities-of-new-administration-in-ethiopia-\/6260078.html"} {"headline":"ባይቶ ጸጥታ ሕ\/ሃ ንጉዳይ ኢትዮጵያ ዘባረረቶም አባላት ሕ\/ሃ ዝምልከት ዘተ የሳልጥ ኣሎ","content":"ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘባረረቶም ሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራት ይዘራረበሉ ኣሎ። ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ብዛዕባ ዘባረረቶም ሸውዓተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራት ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ሃገራት ረቡዕ መብርሂ ክህቡ እዮም። እቲ ቤት ምኽሪ ክልተ ሰሙናት ኣብ ዘይመልአ ግዜ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ክዝቲ እዚ ንኻልኣይ ግዜ እዩ።ፌደራል መንግስቲ እቶም ሰበስልጣን ኣብ ውሽጢ 72 ስዓታት ካብታ ሃገር ክወፁ 30 መስከረም 2021 ምፍላጡ ይዝከር። \"ናይዞም ሰራሕተኛታት ረድኤት ምብራር እቲ ኩነታት እናኸፍአ ምኻዱ ዝሕብር ዝተጋገየ ኣንፈት ምዃኑ ሓደ ተወሳኺ ስጉምቲ እዩ’’ ኢለን ብሽም መንግስተን እቲ ኣኼባ ክካየድ ዝሓተታ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣየርላንድ ገራልዲን ባይረን ናሰን። ባይረን ናሰን ኣብ መንጎ ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ርክባት ክፅገን እዞም ሰበስልጣን ረድኤት ናብ ስርሖም ክምለሱ ኣገዳሲ እዩ ኢለን። ‘’ወሳኒ ርክብ እዩ’’ ኢለን ንሰን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኦ መብርሂ:’'ኣብዚ ስዓት እዚ ንባዕልትና ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ክንኣትው ኣይንደልን።ክንሪኦ ዘለና ፃዕርታት ሰብኣዊ ረድኤት ክውስኽ እምበር ምስሕሓብ ኣይምተገብአን ነይሩ’’ኢለን ። ኢትዮጵያ እቶም ናይ ረድኤት ሰበስልጣን ረድኤትን ናይ መራኸቢ ኣቑሕትን ንህወሓት ይህቡ ኣለው ዝብል ሓዊሱ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያታ ጣልቃ ብምእታውን ብካልኦትን ከሲሳቶም ኣላ። ምኽትል ሓላፊ ጉዳያት ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት መንግስታት፣ምኽትል ኣዋሃዲ ሰብኣዊ ረድኤትን ተወካሊ ዩኒሴፍን ዝርከቡዎም ካብ ኢትዮጵያ ምውፅኦም ሕቡራት መንግስታት ብቕድሚ ትማሊ ሶኑይ ኣረጋጊፁ እዩ። ሕቡራት መንግስታት እቶም ሰበስልጣን ዋላ ሓደ ጌጋ ኣይሰርሑን ኢትዮጵያ ክተባርሮም ሕጋዊ መሰረት የብላን ኢሉ ኣሎ። ናይ ሕቡራት መንግስታት ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ማርቲን ግሪፊትስ ድሕሪ ናይ 11 ኣዋራሕ ጭቡጥ መንግስታዊ ምዕፃው ቅልውላው ትግራይ ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ኮይኑ ኣሎ፤ሰራሕተኛታት ረድኤት ምግቢ ንከይቕርቡ ስለዝተኸልከሉ ስቪላት ንዓፀቦ ተቓሊዖም ኣለው ክብሉ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንAssociated Press\\AP\/ገሊፆም።መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፅባሒቱ ንሸውዓተ ላዕለዎ ሰበስልጣን ሕቡራት መንግስታት የባርር ኣለኹ ክብል ኣዊጁ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%98%E1%89%A3%E1%88%A8%E1%88%A8%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%8A%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B5-%E1%8B%A9\/6259847.html"} {"headline":"ዓለምለኸ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብምክትታል ሕክምና ዘተኣታተዎ ሓድሽ መስርሕን","content":"ለበዳ ቫይረስኮሮና ንብዙሓት ካባና ክንክን ጥዕና ንረኽበሉ መንገዲ ወይ ሜላ ይቅይሮሎ'ዩ። ኣብ ኣመሪካን ​ካልእ ቦታታትን ዝተገብረ መጽናዕቲ ከምዘርእዮ ቨርችዋል ወይ ብማንዛ ዝካየድ ቆጸራታት ሕክምና ውጺኢታዊ ኾይኑ ሎ። ከምኡ'ዉን ሰባት ዝደልይዎ ክንክን ጥዕና ወይ ሕክምና ባዕላቶም ክመርጹን ክቆጻጸርዎን ናብ ሆስፒታላትውን ንዘይምኻድ ወይ ዘይምእታው ኣኽኢልዎምን'ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%88%88%E1%89%A0%E1%8B%B3-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%89%B3%E1%88%8D-%E1%88%95%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%8A%93-%E1%8B%98%E1%89%B0%E1%8A%A3%E1%89%B3%E1%89%B0%E1%8B%8E-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%95%E1%8A%95\/6259817.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ሓድሽ ዝተመረጸ ካቢነኡ ናብ ፓርላማ ብምቕራብ አጽዲቑ","content":"ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ ረቡዕ ሓዲሽ ካቢንኡ ናብ ፓርላማ `ታ ሃገር ብምቕራብ ኣጽዲቑ። እቲ ሓዲሽ ካቢነ ሚንስተራት፡ መራሕቲ ተቓወምቲ`ውን ዝርከብዎ ምዃኑ ፍልይ ዘብሎ`ዩ ተባሂሉ`ሎ። ሎሚ ዝተኻየደ ኣኼባ ሓዲሽ ባይቶ ኢትዮጵያ፡ ንዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ነታ ሃገር ዘገልግሉ 22 ሚንስተራት ኣጽዲቑ`ሎ። ብቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ተረቑሖም- ብፓርላማ ዝጸደቐሎም ሚንስተራት መራሕቲ ተቓወምቲ`ውን ይርከብዎም። ካብ መንጎኦም መርሒ ኢዘማ ዶ\/ር ብርሃኑ ነጋ ሚንስተር ትምህርቲ፡ ምኽትል ኣቦ-መንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣቶ ቀጀላ መርዳሳ- ሚንስተር ባህልን ስፖርትን፡ ኣቦ መንበር ምንቅስቓስ ብሄረ- ኣምሓራ ኣቶ በለጠ ሞላ ይርከብዎም። ሓዲሽ መዝነት ካብ ዝተረከቡ ድማ፡ ምኽትል ሰላም ዝነበረት ሙፈርያት ከሚል፡ሚንስተር ዕዮ፡ ግዜያዊ ኣማሓዳሪ ክልል ትግራይ ዝነበረ ዶ\/ር ኣብርሃም በላይ ድማ ሚንስተር ምክልኻል ኮይኖም ተሽይሞም ኣለዉ። ነቶም ሚንስተራት ኣብ ምምራጽ ከም መሰረታዊ መምዘኒ ዝተወስደ ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ንፓርላማ ኣብሪሁ ኔሩ፡-\"ከም መሰረታዊ መምዘኒ ዝርኣናዮ፡ ቀዳማይ ፍልልይ ፖለቲካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሓቢርካ ካቢነ ኮይንካ፡ ብሓባር ኣብ ቤት ምኽሪ ተቐሚጥካ ሓሳብ ንምልውዋጥ ዝኽልክል ክኸውን የብሉን፡ ዝተፈላለየ ሓሳባት ዘለና`ኳ እንተኾና፡ ተቐራሪብና ምስራሕ ክንለማመድ ኣለና- ንቐጻሊ ሓደ ፓርቲ መንግስቲ ምምስራት ዘኽእሎ ድምጺ እንተረኸበ`ውን እዚ ናይ ሎሚ ተመክሮ - ልምዲ ኣንጺፉ ክጸንሕ ይኽእል`ዩ ካብ ዝብል`ዩ\" ኢሉ። ካልእ ክሳብ ሽዱሽተ ዝበጽሑ መምዘንታት ከምዝተጠቐመ`ውን ንፓርላማ ሓቢሩ`ዩ። እቲ ፓርላማ ብኽልተ ተቓውሞን፡ ብ12 ድምጺ ተኣቅቦን`ዩ ነቶም ሕጹያት ኣጽዲቕሎም። ካብቶም ኣባላት ፓርላማ ናይ ተቓውሞ ርእይቶታት ዘስምዑ`ው ኔሮም፡ ሓንቲ ካብኦም ኣብ ልዕሊ ሚንስተር ትምህርቲ ዝተረቑሐ ዶ\/ር ብርሃኑ ነጋ`ዩ፡ ሚንስተር ትምህርቲ ክኸውን ብቕዓት የብሉን ትብል እዛ ኣባል ፓርላማ፡\"ኣብ ትምህርቲ፡ ካብኡ ንላዕሊ ብቕዓት ዘለዎም ሰባት ዝተሳእኑ ኣይመስለንን። ዶ\/ር ብርሃኑ ነጋ በቲ ዝሓዞ ማሕበራዊ ፍትሒ ክቕጽል ይኽእል`ዩ- ሚንስተር ትምህርቲ ክኸውን ግን ተቓውሞይ ይተሓዘለይ\" ትብል። ቀዳማይ ሚንስተር ዝሃቦ ምላሽ፡ ከምኡ እንተዝኸውን መን`ዩ ቀዳማይ ሚንስትርነት ተማሂሩ ዝመጸ፡ ቀዳማይ ሚንስተር ንምዃን ሓደ ፍልጠት ይህልዎ`ምበር ብኹሉ ዓይነት ቀዳማይ ሚንስተር ክኾኑ ዘኽእል ብቕዓት የብሎምን- ብናትኩም ጽቡቕን ሰናይ ፍቓድን ቀዳማይ ሚንስተር እንተኾኑ`ኳ ዝብል ምላሽ ሂቡ:: ቀዳማይ ሚንስተር ኣብቲ እዋን ነቶም ሹመኛ ሚንስትራት ሓደራ ዝብለኩም ቀንዲ ስርቅን ልመናን ምጥፋእ'ዩ ኢሉ። ስርቅን ልመናን ክሳብ ዘሎ እዛ ሃገር ርእሳ ክተቕንዕ ኣይትኽእልን'ያ ኢሉ:: ኣስዒቡ ኣብ ካቢነ ንብሄር ምውካል ስለዘይክኣል ብዝብል ናይ ኢትዮጵያ ሚንስትራት'ምበር ናይ ብሄራት ሚንስትራት ኣይኮንኩምን ኢልዎም- ። ሓዲሽ ዝተመስረተ ካቢኔ ሚንስተራት ኢትዮጵያ ውጻኢ ዝንክን ስራሕ ዘቀላጥፍን ምዃኑ ኣብቲ እዋን ብሚንስትሪ ፕላንን ልምዓትን ተገሊጹ ኔሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%A8%E1%8C%B8-%E1%8A%AB%E1%89%A2%E1%8A%90%E1%8A%A1-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%88%8B%E1%88%9B-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%89%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8C%BD%E1%8B%B2%E1%89%91\/6259800.html"} {"headline":"ውድብ ጥዕና ዓለም ንቘልዑ ዝኸውን ጸረ ዓሶ ክታበት ምርካቡ ገሊጹ","content":"ውድብ ጥዕና ዓለም ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ አር.ቲ. ኤስ. ኤስ (RTS,S) ዝተሰምየ ጸረ ሕማም ዓሶ ክታበት ውሑስ ኰይኑ ከም ዝረኸቦን፡ ንኣብ ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃን ካልኦት ተመሳሳሊ ቅናት ዘለዋ ሃገራት ክውዕል ከም ዝኽእልን ኣፍሊጡ ኣሎ። እቲ ክታበት ኣብ መስርሕ ፈተነ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ካብ 2019 ኣትሒዙ፡ ኣብ ጋና፡ ኬንያን ማላዊን ዝርከቡ ልዕሊ 800-ሽሕ ህጻናት ፈተና ክግበረሉ ከም ዝጸንሐ ተፈሊጡ'ሎ። ውጽኢት ናይቲ ፈተነ ኣዕጋቢ ኰይኑ ስለ ዝረኸቦ እምበኣር’ዩ እቲ ውድብ ነቲ ክታበት ኣብ ጥቕሚ ዝበዝሐ ሰብ ክውዕል ዘፍቅድ ዘሎ። “ነዊሕ ክንጽበዮ ዝጸናሕና ልዑል መጽናዕቲ፡ ሕጂ እቲ እንደልዮ ውጽኢት ሒዙ ምምጻኡ ዓቢ ብስራት’ዩ። በዚ ክታበት ኣቢልና ድማ ህይወት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩቈልዑን መንእሰያትን ከነድሕን ኢና፡” ክብሉ ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሓጐሶም ገሊጾም ኣለዉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%8A%95%E1%89%98%E1%88%8D%E1%8B%91-%E1%8B%9D%E1%8A%B8%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8C%B8%E1%88%A8-%E1%8B%93%E1%88%B6-%E1%8A%AD%E1%89%B3%E1%89%A0%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%AB%E1%89%A1-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6259772.html"} {"headline":"ኣብ ኣመሪካ ጣፍ ዘፍርይ ኤርትራዊ ሓረስታይ","content":"ጣፍ ምዝራእ ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ'ውን እናተለምደ መጺኡ'ሎ። ጣፍ ነቶም ቀንዲ መግቦም ዝኾነ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ጥራይ ዘይኮነ ነቶም ኣብ ጥዕና ዘለዎ ጠቕሚ ዝተረድኡ ኣመሪካውያን ሓረስቶት'ውን ኣገዳሲ እናኾነ መጺኡ'ሎ። No media source currently available ኣብግዝኣት ነቫዳ ንዘርኢ ጣፍ ብዝሰፍሐ ሕርሻ ዘማዕል ዘሎ ኤርትራዊ ሓረስታይን፥ ጣፍ ክዘርኡ ምስ ዝጀመሩ ኣመሪካውያን ሓረስቶን ኣዘራሪብና ኣለና:: ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8C%A3%E1%8D%8D-%E1%8B%98%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%AD-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%93%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%8B%AD\/6258528.html"} {"headline":"ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ሕ\/ሃን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንግዳያት ኲናት ቐዳማይ ዙር ሓገዝ ምብጽሖም ተገሊጹ","content":"ፕሮግራም መግቢ ዓለም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተላዕለ ኲናት ግዳያት ንዝኾኑ ቀዳማይ ዙር ረዲኤት ምብፅሑ ኣፍሊጡ ። ናብ ክልል ትግራይ ግን ሎሚ'ውን ክበፅሕ ዘይምኽኣሉ ገሊፁ ። ካብ 15 ነሓሰ,2021 ጀሚሩ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንልዕሊ 300,000 ዝኾኑ ህዝቢታት ዓፋርን ኣምሓራን ሓገዝ መግቢ ምብፅሑ ኣብቲ ዝዘርገሖ መግለፂ ሓቢሩ ። ንልዕሊ 210 ሽሕ ዝኸውን ህዝቢ ሓገዛት ጥረምረ: እኽልን ዘይትን ዝዓደለ ኮይኑ እዚ ድማ ብምኽንያት እቲ ጎንፂ ካብ መንበሪ ኣባይቶም ዝተመዛበሉን ንብረቶም ዓንዩ ንፀገም ዝተቓልዑን ይርከብዎም ። ከምኡ'ውን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ዋግ ኽምራን ከባቢታት ሰሜን ወሎ ንዝርከቡ ልዕሊ 2,200 ሜትሪክ ቶን ረዲኤት መሻርኽቲ ኣካላት ምብፅሑ ዝሓበረ ኾይኑ ናብቶም ጎንፂ ዘለዎም ከባቢታት ግን ክበጽሕ ዘይምኽኣሉን ኩነታት ኣብቲ ኸባቢ ዘለዉ ሰባት ኣዝዩ ሕማቅ ክኸውን ከምዝኽእል ይእምት ። ኣብ ክልል ዓፋር ን80 ሽሕ ዝኾኑ ግዳያት እቲ ኲናት ቀዳማይ ዙር ሓገዛት መግቢ ናብ ምዝዛሙ ምኳኑ ዝሓበረ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ፤ እዚ ቁፅሪ ናብ 500,000 ክብ ክብል ከምዝክእል ፀብፃብ መንግስቲ ሓቢሩ ኢሉ። ኣብ ሰሜን ምዕራብን ከባቢታት ደቡብ ትግራይን ንዝርከቡ 2.4 ሚልየን ህዝቢ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ረድኤት ምብፅሑን ምስ ዘይመንግስታዊ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ብምትሕብባር ዝተኻየደ ካልኣይ ዙር ምብፃሕ ረድኤት ሓዊሱ ን2.7 ሚልየን ክሕግዝ ምኽኣሉ ሓቢሩ ።ፕሮግራም መግቢ ዓለም ስጋብ ሐጂ ህፁፅ ረዲኤት ካብ ዘድልዮም 71 ወረዳታት ዝበሎም ኣብ ወርሒ መስከረም 39 ጥራሕ ሓገዝ ክረኽቡ ምኽኣሎም ይገልጽ። ካብዚኦም 200,000 ህፃናትን ነፍሰፁርን መጥበውቲ ኣዴታትን ከምዝርከብዎም'ውን ይሕብር። ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ሕፀረት መግቢ ኣብ ከተማ ሽረ ዘይትን እኽልን ብዘይምህላዉ ንሓደ ሰብ 2 ኪሎ ግራም ጥረምረ ጥራሕ ክዕድል ምኽአሉ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ይገልፅ ። ሳልሳይ ዙር ምብፃሕ ረዲኤት ግን ሰብኣዊ ሓገዛት ንምብፃሕ ብዘጋጥምዎ ዕንቅፋታት ስጋብ ሐጂ ክጅምር ከምዘይከኣለ ሓቢሩ ። ኣብ ቀረባ ናብ ክልል ትግራይ ረዲኤት ክአቱ ምጅማሩዝገለፀ እቲ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ይኩን እምባር 11% ጥራሕ እዩ ዛጊት ክባፃሕ ዝኸኣለ ይብል ። ብተወሳኺ ኣብ ክልል ትግራይ ልዑል ሕፅረት ነዳዲ ከምዘሎን ረዲኤት ንሓደ ሰሙን ንምብጻሕ 200,000 ሊትሮ ከምዘድልዮ ገሊፁ ። ከም ሓበሬታ ዳይሬክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ምብራቅ ኣፍሪቃ ሚካኤል ዱንፎርድ “ካብ ሰለስቲኡ ክልላት ዝተረኽቡ ሓበሬታት ከምዘርእዩዎ ሰባት መንበሪኦም ብምዕናዉ ዝፈጠሮ ምምዝባላትን ናህሪ ዋጋን ንዝኸፍአ ሕፅረት መግብ ይቓልዑ ኣለዉ“ ኢሎም ። ንሶም ወሲኾም ዝበኣሰ ኩነታት ቅድሚ ምፍጣሩ ኩሎም ተፃባእቲ ወገናት ሰብኣዊ ሓገዛት ከባፅሕ ክተሓባበሩ ፀዊዑ ። ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%88%95-%E1%88%83%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%89%90%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8B%99%E1%88%AD-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%88%96%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6258453.html"} {"headline":"ካብ ኢትዮጵያ ዝተሰጎጉ ሰራሕተኛታት ሕ\/ሃ 'ንድሕነቶም' ክብል ካብታ ሃገር ምውጽኦም ሕ\/ሃ ገሊጹ","content":"ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ጣልቃ ኣትዮም ብዝብል ካብ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ክወጹ ዝተኣዘዙ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ንድሕነቶም ክብል ሕቡራት ሃገራት ካብ ኢትዮጵያ ከም ዘውጽኦም ተሓቢሩ። ኢትዮጵያ መተካእታ እቶም ዝተሰጎጉ ሰራሕተኛታት ከተፍቅድ ምዃና ደኣ ትገልጽ እምበር፡ ቦታኦም ከም ዘይተተክአ ግን ወሃብ ቃል ሕቡራት ሃገራትፈርሓን ሓቅ ኣመልኪቱ ። ብመሰረት ውዕል ሕቡራት ሃገራት፡ ኢትዮጵያ ንሰራሕተኛታት’ቲ ትካል ከምኡ ዝመስል ናይ ምስጕግ ሕጋዊ መሰል ከም ዘይብላ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ከመልክት ጸኒሑ’ዩ። ሕቡራት ሃገራት ኣብ መሰረታዊ ዘይሻራውነት መትከሉ ጸቒጡ ከም ዝሰርሕ ዘመልከተ ወሃብ ቃል’ቲ ውድብ ፈርሓን ሓቅ፡ እቲ ውድብ ብቑዓት ኢሉ ናብቲ ስራሕ ዝለኣኾም ሰራሕተኛታት ንሳቶም ብምዃኖም፡ ኢትዮጵያ ምቹው ናይ ስራሕ ዕድል ባይታ ተላብዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%8C%8E%E1%8C%89-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%95%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%AB%E1%89%A5%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%8C%BD%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6258244.html"} {"headline":"ጋዜጠኛ ተስፋኣለም ወልደየስ ካብ ማእሰርቲ ከምዝተለቐቐ ተፈሊጡ","content":"ጋዜጠኛ መስራቲን ዋና ኣሰናዳኢን ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ተስፋኣለም ወልደየስ ድሕሪ ናይ ሰለስተ መዓልታት ማእሰርቲ ከም ዝተለቐቐ ተፈሊጡ ኣሎ። ምኽንያት ማእሰርቲን ተሓይሩሉ ዝነበረን ቦታን ብልክዕ ደኣ ኣይተሓበር እምበር፡ ኣብ ዓመታዊ ዝኽሪ በዓል\\nእሬቻ ዝነበረ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣመልኪቱ ኣብ ፈይስቡክ ዘካፍሎ ቪድዮ ተኣሳሲሩ ክኸውን ከም ዝኽእል ቀረበቱ ይሕብሩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%88%B0%E1%8A%93%E1%8B%B3%E1%8A%A2%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A2%E1%8A%95%E1%88%B3%E1%8B%AD%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%89%B0%E1%88%B5%E1%8D%8B%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%8B%B0%E1%8B%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%88%E1%89%90%E1%89%90-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6258228.html"} {"headline":"ክኢላታት ሕጊ  ኣብ ጉዳይ ኣፈፃሚ ትእዛዝ ፕሬዝዳንት ጆ ባይደን","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ኢትዮጵያ ብዝተኻየደን ይካየድ ብዘሎን ኲናት ናይ ኣመሪካ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣፈፃሚ ትእዛዝ 17 መስከረም 2021 ምፍራሞም ይዝከር። ኣብ ኲናት ይሳተፉ ዘለው መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ህወሓትን ናይ ኣምሓራ ክልላዊ መንግስትን ቶኽሲ ጠጠው ንምባል እንድሕር ዘይተሰማሚዖም ግብራዊ ክኸውን ብፕረዚደንት ባይደን ዝተፈረመ ትእዛዝ ብዝምልከት ኣብ ኖርወይ ብሕጊ ናይ ዶክትሬት ትምህርቱ ይከታተል ዘሎ ኣቶ ሙሉ በየነን ክኢላ ዓለምለኸ ሕጊ ዝኾነ ኣቶ ኢሳያስ ሃይለማሪያም ድማ ካብ ካሊፎርኒያ ብዛዕባ ስፍሓትን ዕምቆትን እቲ ትእዛዝ ዝምልከት ዝሃቡዎ መብርሂ ኣብዚ ዝስዕብ ተኸታተሉዎ። No media source currently available No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%8A%A2%E1%88%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8D%83%E1%88%9A-%E1%89%B5%E1%8A%A5%E1%8B%9B%E1%8B%9D-%E1%8D%95%E1%88%AC%E1%8B%9D%E1%8B%B3%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8C%86-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%8B%B0%E1%8A%95-\/6258154.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ አብይ አሕመድ ንካልኣይ ናይ መዝነት ጊዜ ቃለ መሓላ ፈጺሞም","content":"ቀዳማይ ሚንስትር አብይ ኣሕመድ ፓርቲ ብልፅግና ንመብዛሕቲኡ ናይ ፓርላማ መናብር ኣብ ዝሰዓረሉን ዝተጣየሸ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቦም ንካል ኣይ ናይ መዝነት ጊዜ ቃለ ምሓላ ፈፂሞም:: ኣብቲ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ዝተኻየደለ መስቀል አደባባይ ከተማ አዲስ አበባ መራሕቲ ሃገራትን ኣጋይሽን ተረኺቦም ኔሮም። \"እዚ ኣጋጣሚ ከም ሃገር ብጥንቃቐ ኣብ ረብሓ ክነውዕሎ ኢና’’ ዝበሉ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ እቲ ከይዲ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ምምሕዳር መንግስትነት ዘመን ንመጀመሪያ ግዜ ግልፅን ተኣማኒን ምርጫ ዝተኻየደሉ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ቀዳማይ ሚንስትር አብይ \"ህዝባዊ ቅቡልነት ዝረኸበ መንግስቲ ዝተመስረተሉ እዩ’’ ኢሎም ። ኣብቲ ስነስርዓት መደረ ዘስምዑ ገለ መራሕቲ ኣፍሪቃ \"ቀዳማይ ሚንስትር ኣብ ምርጫ ዘረጋግፁዎ ቅቡልነት ኣብ ናይ ሃገሮም ሰላም ንምስፋን ክሕግዞም’’ ተስፍኦም ገሊፆም ። ብዛዕባ እቲ ቃለ ምሓላ ዝፀብፀበ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሼትድ ፕረስ ድማ ብ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ውሽጢ ንሓደ ዓመት ዝፅጋዕ ኵናት ኮይኖም ንካልኣይ ሓሙሽተ ዓመት ስልጣን ዘመኖም ሎሚ ሶኑይ ቃለ ምሓላ ፈፂሞም።ናይ ዶክተር ኣብይ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ቀረባ ኣብ ዝተኻየደ ነቐፌታ ዝቐረቦን ተቓወምቲ ፓርታት ዝተሓሰሙዎን ገለ ናይ ወፃኢ ተዓዘብቲ ድማ ካብቶም ዝሓለፉ ምርጫታት ዝሓሸ እዩ ዝበሉዎ ምርጫ ተዓዊቱ እዩ። ኣብ 2019 ናይ ኖቤል ሰላም ተሸላሚ ዝኾኑ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ናይ ክልል ትግራይ ኵናት ናብ ካልኦት ከፋላት እታ ሃገር እናገፍሐ ብምኻዱ ዓብይ ብድሆታት ገጢሙዎም ይርከብ። ብመሰረት ኣሶሴይትድ ፕረስደማዊ ናይ ብሄራት ህውከት ቀፂሉ ተሓለቕቲ መሰላት ድማ ናይ ዓፋኒ መንግስቲ ተግባራት ናብቲ ናይ ቀደም ይምለስ ኣሎ ክብሉ የጠንቅቑ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A0%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A0%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8B%AD-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8C%8A%E1%8B%9C-%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%88%93%E1%88%8B-%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%9E%E1%88%9D\/6256833.html"} {"headline":"መስራቲ ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ጋዜጠኛ ተስፋለም ወልደየስ ተአሲሩ","content":"መስራትን አዳላዊን ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ጋዜጠኛ ተስፋለም ወልደየስ ምእሳሩ ዝተፈላለየ መሓውራት ዜና ሓቢረን። መሳርሕቱን ኣዕርኽቱን ሃለዋቱ ከምዘይፈልጡ እንተገለፁ እውን ፌደራል ፖሊስ ዘሰክፍ የለን ክብል ብምግላፅ ንማእሰርቱ ምርግጋፁ ቢቢሲ ፀብፂቡ ኣሎ። ፖሊስ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።ፈፃሚ ዳይረክተር ማእኸል ምስጓም ንመሰላትን ዴሞክራስን በፈቃዱ ሃይሉ ኣዲስ ኣበባ ንዝተኻየደ ብዓል ኢሬቻ ድሕሪ ምፅብፃቡ ሃለዋቱ ከምዝጠፍአ ገሊፁ።በፈቃዱ ብቲዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ ተስፍኣለም ትማሊ ሰንበት ኣብ ቢሸፍቱ ንዝተኻየደ ናይ ኢሬቻ ፌስቲቫል ሽፋን ንምሃብ ትልሚ ነይሩዎ ኢሉ። ተስፍኣለም ድሕሪ ናይ ኣዲስ ኣበባ ብዓል ሰባት ንምምሕዳር ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ብምንቃፍ ድምፆም እናስምዑ ዘርኢ ቪዲዮ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ኣውፂኡ ነይሩ። ተሳተፍቲ \"ጀዋር፣ጀዋር’’ዝብል ድምፂ እናጨርሑ ፖለቲካዊ እሱራት ክፍትሑ ይሓቱ ኔሮም። ተስፍኣለም \"ዞን ትሽዓተ ብሎገራት’’ ብዝብል ዝፈልጥ ኣብ 2014 ካብ መንጎ ዝተኣሰሩ ሰለስተ ጋዜጠኛታትን ሽዱሽተ ብሎገራትን ሓደ ነይሩ። ብዓል ኢሬቻ ንሳልሳይ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተኸበረን ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ዝኾና ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ናይ ህወሓት ኣጋር ኢለን ዝፀውዕኦ ሸኔ ዝለኣኾም ሰባት ነቲ ብዓል ክርብሹ ፈቲኖም ክብላ ከሲሰን።እተን ከንቲባ ሸኔ ኢለን ዝገለፅኦ ንባዕሉ ግን ናይ ኦሮሞ ነፃነት ሰራዊት ኢሉ ዝፅውዕ ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ጉዳይ ዝበሎ የብሉን። ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ናይ ኢሬቻ ብዓል ካብ ቢሾፍቱ ንምፅብፃብ ዝገበሮ ፃዕሪ ካብ ኣተሓባበርቲ ናይ መሕለፊ ፍቓድ ብዘይምርካቡ ኣይተዓወተን ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A2%E1%8A%95%E1%88%B3%E1%8B%AD%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B-%E1%89%B0%E1%88%B5%E1%8D%8B%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%8B%B0%E1%8B%A8%E1%88%B5-%E1%89%B0%E1%8A%A0%E1%88%B2%E1%88%A9\/6256803.html"} {"headline":"ኣቦ መንበር ዓረና ትግራይ ኣቶ ኣብርሃ ደስታ ምእሳሩ ተገሊጹ","content":"ኣቦ ወንበር ዓረና ትግራይ ኣቶ ኣብርሃ ደስታ ዝሓለፈ ሓሙስ ብፖሊስ ከምዝተኣሰረ ጠብቕኡ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፁ። ህወሓት ካብ ናይ ክልል ትግራይ ምምሕዳር ምስተኣለየ ብመንግስቲ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ንትግራይ ከመሓድር ኣብ ዝተሸመ ግዚያዊ ምምሕዳር ሓላፊ ቢሮማሕበራዊ ጉዳይ ዝነበረ ኣቶ ኣብርሃ ደስታ ምስ ምንኣስ ሓዉ ገብረህይወት ደስታ 20 መስከረም 2014 ዓ\\ም ኣብቐይዲ ምእታው ጠብቕኡ ኣቶ ተስፍኣለም በርሀ ገሊፁ። ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ተኣሲሮም ዝነበሩን ብዋሕስ ዝተፈትሑን 13 ናይ እንጠጦ ኪዳነምህረት መነኮሳትን ኣቕሽትን ሓዊሱ ናይ ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ ጠበቓ ምዃኑ ዝገለጸ ኣቶ ተስፍኣለም ንእሽተይ ሓው ንኣብርሃም ሰራሕተኛ ባንኪ ምዃኑን ኣብ ፖለቲካ ዝኾነ ይኹን ተሳትፎ ከምዘይብሉን ሓቢሩ። ስቪላት ዜጋታት ብዘይኣግባብ ይከላበቱ ምህላዎም ንቤት ፍርዲ ብተደጋጋሚ ነተሓሳስብኢና ዘለና ዝበለ ኣቶ ተስፍኣለም ዝካየድ ዘሎ ዳርጋ ሓፈሳ እዩ፤ እቲ ዝቐርብ ናይ ክሲጥርጣረ ድማ ምልዕዓል ህውከትን ምስ ህውሓት ርክብ ብምፍጣርን ዝብሉ ሓደ ዓይነት ብዝብሃሉ ጥርጣረታት ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐርቡ ሓቢሩ። ተኸሲሱ በዚ ገበነኛ ዝተብሃለን ዝተፈረዶን ተጠርጣሪ ድማ ክሳብ ሎሚ ዋላ ሓደየለን ኢሉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A6-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%8A%93-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%83-%E1%8B%B0%E1%88%B5%E1%89%B3-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%88%B3%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6256769.html"} {"headline":"ኣብ ቤንሻንጉል ጉምዝ ዕጡቓት 2 ሰባት ቐቲሎም 145 ምሓዞም ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ ካሚሸ ወረዳ ሴዳል ዕጡቃት ብዉሑዱ ክልተ ሰባት ቀቲሎም 145- ሰባት ኸኣ ከምዝሓዙ ኮሚሽን ሰብ ኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ ኮሚሽን ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣብቲ ክልል ብፍላይ ኣብ መተከልን ዞባ ካማሽን ደሕንነት ዜጋታት ንምርግጋጽ ብመንግስቲ ዝውሰዱ ስጉምቲ ክቀላጠፍ'ዉን ተላብዩ። ካብ 12- መስከረም ጀሚሩ ነበርት'ቲ ከባቢ ዕጡቃት ጉሙዝ'ዮም ብዝበልዎም 145- ዝኾኑ ተወለድቲ ብሄር ጉሙዝ ከምዝተጨውዩ ምንጭታት ብምጥቃስ ይገልጽ። እቶም ዝተጨውዩ ኣንስቲን ቆልዑን ኣረጋውያንን ዝሕውስ'ዩ ፥ዝህብዎ ምኽንያት ኸኣ ንዕላማና ኣይደገፍኩምን ዝብል ምኻኑ ሃዲሞም ዘምለጡ ሰባት ጠቂሱ ይሕብር። ኣብቲ እዋን በቶም ዕጡቃት ብውሕዱ ክልተ ሰባት ከምዝተቀትሉ ዝተጨውዩ'ውን ምንክልባት ይበጽሖም'ሎ ኢሉ'ሎ። 5000 ሰባት'ዉን ከምዝተመዛበሉ ተገሊጹ'ሎ። ንዝሓለፉ ሓሙሽተ መዖኣልታት'ውን ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታን'ቶም ዕጡቃትን ኹናት ይካየድ ምህልውን ንነበርቲ ሰዳል ናብ ድሌት ዝተባህለ ቦታ ንምህዳም ጻዕሪ ይግበር ከምዘሎን ዝገለጸ'ቲ ኮሚሽን እቲ ዝተወፈረ ሓይሊ ጽጥታ እኹል ኣይኮነን ኢሉ'ሎ። ኣብ ወረዳ ሰዳል ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ከምዝተዓጽወ'ዉን ገሊጹ 'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%A4%E1%8A%95%E1%88%BB%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%8D-%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%8B%9D-%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-2-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%90%E1%89%B2%E1%88%8E%E1%88%9D-145-%E1%88%9D%E1%88%93%E1%8B%9E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6253985.html"} {"headline":"ግብረ መልሲ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ጉዳይ ምውጻእ አባላት ሕ\/ሃ ካብ ኢትዮጵያ","content":"ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ንሸውዓተ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብታ ሃገር ክወጹ ንዝወሰኖ ስጕምቲ ብትሪ ነቒፎምን እቲ ውሳነ ክስረዝ ጸዊዖምን። ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ጣልቃ ኣትዮም ብዝብል ክሲ ካብታ ሃገር ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ክወጹ ትማሊ ዝተሓበሩ ዳይረክተር ትካል ትምህርቲ፡ ስነ-ፍልጠን ባህሊን ሕቡራት ሃገራት (ዩኔስኮ)ን ሓላፊ ምውህሃሃድ ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ)ን ኣብ ኢትዮጵያ ይርከቡዎም። እቲ ውሳነ ጽባሕ’ቲ ሓተሓባባሪ ኦቻ ማርቲን ግሪፍስ ሰብ-ሰርሖ ጥሜት ኣብታ ሃገር ይርአ ኣሎ ኢሉ ድሕሪ ምግላጹ’ዩ። ካብ ቤት ጽሕፈት ኣንቶኒ ብሊንከን ዝወጸ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ እቲ ውሳነ ነቲ ዝካይድ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዛት ጻዕሪ ድሕሪት ዝመልስን ንስቓይ ሰለማዊ ህዝቢ ዘጋድድን ክብል ገሊጹዎ። ብ17 መስከረም ብፕረዚደንት ባይደን ዝሓለፈ ትእዛዝ ዝጠቐሰ መግለጺ ብሊንከን፡ ቤት ጽሕፈቶም ዘድሊ ስጕምቲ ካብ ምውሳድ ከም ዘይቍጠብ ጠቒሱ ኣሎ። ብተመሳሳሊ’ውን ኵላቶም ዓለምለኸ ትካላት፡ ነቲ ዝተወስደ ስጕምቲ ጸቕጢ ንምግባር፡ ተመሳሳሊ ስጕምቲ ክወስዱ ጸዊዑ። ኣብ መወዳእታ ብሊንከን መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ዓለምለኸ ትካላትን ኣካላት ሕቡራት ሃገራትን ተሓባቢሩ ነቲ ዘሎ ሽግር ኢትዮጵያ ኣብ ምቅላል ክሰርሑን ንሰብኣዊ ሓገዝ ዘይተገደበ ኣፍደገ ክኸፍቱን ጸዊዖም። ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ተሪር መግለጺ ከም ዘውጽአ ዝዝከር ኰይኑ፡ ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ)’ውን ነቲ ተግባር ኣዝዩ ኣሕዛኒ ክብሎ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ ኣሎ። ንሱሳ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ንድሕነት ህጻናት ከም ዝሰርሐ ዘመልከተ መግለጺ ዩኒሴፍ፡ ሕጂ ኵነታት ህጻናት ኢትዮጵያ ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ ኵነታት ኣብ ዘለወሉ እዋን እቲ ስጕምቲ ምውሳዱ ከም ዘሕዘኖን፡ ብመትከሉ ድማ ካብ ጸግዒ ምውሳድ ዝተቖጠበን ዘይሻራዊ ኣካል ምዃኑን ደጊሙ ኣስሚሩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ንትግራይ ዘመሓድር ዘሎ መንግስቲ ምዃኑ ዝገልጽ ብፈደራላዊ መንግስቲ ግን ካብ መዝነቱ ዝተኣልየ ኣካል፡ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ ተግባር ኣትሪሩ ብምዅናን ኣካል’ቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ሓገዝ ንኸይበጽሕ ክግበሮ ዝጸንሐ ናይ 11 ኣዋርሕ ተግባር’ዩ ክብል ገሊጹዎ። “ብዝገብሮ ዘሎ ሰፊሕ ፕሮፓጋንዳ፡ ንሰብኣዊ ሓገዝ ንዘይምብጻሕ’ውን ማዕረ ገበን ገይሩ ይጕስጕስ ኣሎ፡” ንዝበሎ ተግባራት ፈደራል መንግስቲ ድማ “ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ጣልቃ ንዘይምእታው ብዝብል ምስምስ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ከቢድ ገበናት” ይፍጽም ኣሎ ክብል ከሲሱ። ኣብ መወዳእታ ድማ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ቅልጡፍ ስጕምቲ ወሲዱ ንዝርአ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላ መፍትሒ ከናዲ ጸዊዑ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%8B%88%E1%8C%88%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%8C%BB%E1%8A%A5-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/6253970.html"} {"headline":"ምስሕሓብ ኢትዮጵያን ሕ\/ሃን ብዓይኒ ዴቪድ ሺን","content":"ሚኒስተር ወጻኢ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይና ጣልቃ ኣትዮም’ ኢሉ ንዝኸሰሶም ሸውዓተ ሰበ ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብ ግዝኣቱ ንክወጹ ከምዝኣዘዘ ትማሊ ገሊጽና ነይርና። ኣምባሳደር ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ዴቪድ ሽን ‘መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ ስጉምቲ፣ ከቢድ ሳዕቤን ክህልዎ እዩ’ ክብሉ ገሊጾም። ‘ኣነ ክሳብ ዝፈልጦ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳብ’ዚ ሰዓት’ዚ ጭብጢ ኣይሃበን ዘሎ’ ይብሉ። ‘ከምዝመስለኒ ንኢትዮጵያ ከቢድ ሳዕቤን ከምጸኣላ እዩ። ኣብ ዝተናወሐ መስርሕ ንኢትዮጵያ ዝሃስይ ክኾን እዩ’ ኢሎም። ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንተንይ ብልንክን ‘ናብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ቀረባት ንከይባጻሕ ንዝተዓናቅፉ ወገናት፣ ግብረ መልሲ ንምሃብ፣ ፕረዚደንት ባይደን ዘሕለፍዎ ትእዛዝን ካልኦት መሳርሕን ካብ ምጥቃም ዓዲ ኣይንውዕልን’ ከምዝበሉ ዝዝከር እዩ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/david-shinn-on-un-and-ethiopia-crisis-unicef-ocha-officials-expelled\/6253884.html"} {"headline":"ኣብ ገለ ክልላት ኢትዮጵያ ዝተደናጎየ ሃገራዊ ምርጫ ሎሚ ተኻይዱ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ገለ ክልላት ዝተደናጎየ ከይዲ ምርጫ ሎሚ ሓሙስ ይሳለጥ ውዒሉ። ኣብ ሰለስተ ክልላት ዝርከቡ መረጽቲ፣ ንኣባላት ቤት ምኽሪ’ታ ሃገር ክመርጹ እዮም። ኣብ ራብዓይ ክልል ዘለው መረጽቲ ድማ፣ ሓድሽ ክልል ክቆመሎም ድልየቶም እንተኾይኑ ኵስኑ ትጽቢት ይግበር። ፓርላሜንታዊ ምርጫ ኣብ ክልላት ሶማሌ፣ ሃረር፣ ህዝብታት ደቡብን ክካየድ ከሎ ምርጫ’ዘን ክልላት ዝተደናጎየ፣ ብሰንኪ ምዝገባ መረጽቲ፣ ሕጋዊ ምስሕሓባትን ጸገም ጸጥታን ከምዝኾነ ዝዝከር እዩ። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ፣ ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወለዐ ውግእ፣ ዓለምለኸ ጸቅጢ ኣጒኒፍዎም ኣሎ። ፓርላማ ኢትዮጵያ 547 መናብር ኣለዎ። 47 መናብር ኣብ ውድድር አትዮም አለው። ፓርቲ ቀ\/ሚ ን410 መናብር ሒዙ ኣሎ። እቶም ዝተረፉ መናብር ገሊኦም ካብ ክልል ትግራይ ዝውከሉ’ዮም፣ መዓስ ከምዝምልኡ ንጹር ኣይኮነን። ህወሓት ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ውግእ ዝሓለፈ ሰነ ንክልል ትግራይ ከምዝተቆጻጸረ፣ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፣ ገለ ክፋል ክልል ትግራይ፣ ብሰንኪ’ቲ ውግእ፣ ንጥምየት ተቃሊዑ ኣሎ ከምዝበለ ዝዝከር እዩ። እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ንክልል ኣምሓራ ዝመርሑ ሓድሽ ፕረዚደንት ሎሚ ተመሪጾም። ብመሰረት’ዚ ዝተመረጹ ዶ\/ር ይልቃል ከፋለ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ \"ዋና ኣጀንደኦም፣ ንክልል ኣምሓራ ኣጋጢምዎ ኣሎ ዝበልዎ ሓደጋ ህልውና ምቅልባስ\" እዩ ኢሎም። ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዘለው ሓሙሽተ ዞባታትን ሓደ ፍሉይ ወረዳን፣ ረፈረንደም ወይካኣ ህዝበ ውሳነ ከምዝተካየደ’ውን ሪፖርተርና ገሊጹ። ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ብመሰረት ዝዘርገሖ ዜና፣ ኣብ’ታ ሃገር መበል 11 ክልል ንምምስራት ዘኽእል ረፈረንደም ኣብ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ፣ ጎና ጎኑ ድማ ስሩዕ መስርሕ ምርጫ ከምዝተሳለጠ ኣፍሊጡ። ኣብ ክልላት ዓፋርን ጋምቤላን’ውን ሓደሽቲ ምምሕዳራት ከምዝቆሙ እቲ ዜና ጠቂሱ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%88%E1%88%88-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%B0%E1%8A%93%E1%8C%8E%E1%8B%A8-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/6252281.html"} {"headline":"ኦቻ ናብ ክልል ትግራይ ዘድሊ ሓገዛት ንምብጻሕ ከም ዝተጸገመ ይግለጽ","content":"ምውህሃሃድ ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ስሩዕ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ናብ ክልል ትግራይ ንምብጻሕ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ፡ ብሕልፊ እኳ ብስእነት ቀረባት ነዳዲ ኣመና ይጽገም ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ብመሰረት ጋዜጣዊ መግለጺ’ቲ ቤት ጽሕፈት፡ ብመገዲ እታ እንኮ መሕለፊ ዘላ ክልል ዓፋር ኣቢለን፡ ዝሓለፈ ሰሙን (ካብ 21-28 መስከረም) 79 ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ከም ዝተላእካ ኣፍሊጡ። ካብ 12 ሓምለ ኣትሒዘን ናብ ክልል ትግራይ ኣትየን ዘለዋ ናይ ጽዕነት መካይን 606 ክበጽሕ እንከሎ፡ ብገምጋም እቲ ቤት ጽሕፈት ግን መዓልታዊ 100 መካይን ሓገዝ’የን ክኣትዋ ዝድለ። ኦቻ፡ ቀንዲ ማሕንቖ ኢሉ ዝጠቐሶ፡ ካብን ናብን ክልል ትግራይ መካይን ንምንቅስቓስ ዝፍጠር ዘሎ ዋሕዲ ነዳዲ’ዩ። ስእነት ቀረባት መድሃኒት’ውን ከም ዘሎ እቲ ቤት ጽሕፈት ይውስኽ። ንግዳዊ በረራታት ካብን ናብን መቐለ ካብ 28 ሰነ ድሕሪ ምቍራጹ፡ ምስ ምውዳእ ዋሕዲ ቀረባት፡ ዋጋ መሰረታዊ ሃለኽቲ ኣብቲ ክልል፡ ኣብ ገሊኡ ክሳብ ብ400% ወሲኹ ኣሎ: ሓያሎ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝህባ ትካላት ቅሩብነትን ደኣ ይግለጻን ዝከኣለን ይገብራ ይሃለዋን እምበር፡ ብሰንኪ ዋሕዲ ቀረባት ግን እቲ ተበጻሕነት ኣመና ውሱን ምዃኑ ኦቻ ይጠቅስ። ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ናብቲ ብዂናት ኣዝዩ ተጸልዩ ዘሎ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ሰብኣዊ ሓገዛት ንምብጻሕ ኣብ ስራሕ ከም ዘሎ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ የነጽር። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንኣስታት 52-ሽሕ ውሽጣውያን ተመዛበልቲ ክልል ዓፋርን 163-ሽሕ ተመዛበልቲ ኣብ ክልል ኣምሓራን ክሕግዝ እንከሎ፡ ካልኦት ዘይመንግስታውያን ትካላት’ውን ኣብ ክልል ኣምሓራ ንልዕሊ 200-ሽሕ ተጸበይቲ ረዲኤት ሓገዝ ኣባጺሖም። ንፍቓድ ዝደሓራ መካይን ሓገዝ ናብ ክልል ትግራይ ምስጋናኡ ዝገለጸ ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ክባጻሕ ከኽእል ይጽውዕ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A6%E1%89%BB-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%8B%B5%E1%88%8A-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9B%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%B8%E1%8C%88%E1%88%98-%E1%8B%AD%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BD\/6252096.html"} {"headline":"ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ኢትዮጵያ ብዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ስክፍታኡ ይገልጽ","content":"ዓለምለኻዊ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ህዩማን ራይትስ ዎች፡ሎሚ 30 መስከረም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክገብሮ ንዝጸንሐን ዘካይዶ ዘሎን መጽናዕቲ፡ ብመንገዲ ማንዛ(ብርሕቐት) ኣቢሉ፡ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቡ። ተኸታታሊት ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብቲ ትካል ዝዀነት ላቲሻ ባደር፡ ኢትዮጵያ ካብቲ ዝነበረቶ ኣሰካፊ ደረጃ ሰብኣዊ ጥሕሰት፡ ድሕሪ ለውጢ 2018 ዝሓሸ ደኣ ይምሰል እምበር፡ ድሕሪ ምንዋሕ ምርጫን ካልእ ዘበታዊ ፍጻመታትን ግን ኣመና ከም ዘንቈልቈለ ገሊጻ። ላቲሻ ባደር ኣብ መግለጺኣ ቀንዲ ጠንቂ ቅልጡፍ ምንቍልቋል ሰብኣዊ መሰላት ዝዀነ ፍጻመ ድሕሪ ሞት ህቡብ ድምጻዊ ሓጫሉ ሁንዴሳን ምእሳር ላዕለዎት ፖለቲከኛታትን ምዃኑ ዘርዚራ። ምስ ምውላዕ ኲናት ኣብ ክልል ትግራይ ድማ እቲ ኵነታት ኣዝዩ ከም ዝኸፍአ፡ ትካሎም ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ በብእዋኑ ዝፈነዎ መግለጺን’ውን ጠቒሳ። ኣብ ትግራይ ብፍላጥን ንሲቪላዊ ዒላማ ዝገበረ ከቢድ ጥሕሰታት ምፍጻሙ ዝገለጸት ላቲሻ፡ ብሰንኪ’ቲ ዝወረደ ሰፊሕ መግሃስታትን ምዕናው ትሕተ-ቅርጽታትን ንቡር ናብራ ንምጅማር ኣዝዩ ከም ዝኸበድ ሓቢራ። ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኵነታት በብእዋኑ እናኸፍአ ይመጽእ ከም ዘሎ ዘመልከተ መግለጺ ህዩማን ራይትስ ዎች፡ እቶም ዝኸፍኡ ተጠቃዕቲ ናይዚ ግጭት ሲቪላውያን ዜጋታት ምዃኖም ይሕብር። ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ ዘሎ ሓገዝ ኣዝዩ ውሱንን ፈደራላዊ መንግስቲ’ውን ኰነ ኢሉ ከም ዝሓላልኾን ድማ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሱ። ኲናት ኢትዮጵያ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን እውን ብምልሓሙ፡ እቲ በብእዋኑ ዝፍጸም ዘሎ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ቤት ጽሕፈቶም ቅልጡፍ ግብረ-መልሲ ክህበሉ ከም ዘይክኣለ ድማ እታ ተወካሊት ህዩማን ራይትስ ዎች ጠቒሳ። ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓመ ኲናት፡ ብተመሳሳሊ ንሲቪላውያን ዜጋታት ኣመና ኣጸጊሙ ከም ዘሎን ብሕልፊ ድማ ኣብ ክልል ዓፋር ዝተፈጸመ ቅትለት ቤት ጽሕፈቶም ከም ዝበጽሖ ጠቒሳ። ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺኡ ንጉዳያት ኤርትራዊያውን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ’ውን ጠቒሱ ነይሩ። ኣብ እዋን ኲናት ክልል ትግራይ፡ ኣደራዕ በብይኖም ሓይልታት ምንባሮም ዝተጠቕሱ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ዳሕራይ ካብቲ መዓስከራት ድሕሪ ምህዳሞምን ካልእ ውሑስ ዝበሉዎ ከተማታት ድሕሪ ምእታዎምን ምስ ዘሎ ሓፈሻዊ ካልእ ጸገማት ኢትዮጵያ ኣብ ዝኸፍአ ኵነት ከም ዘለዉ ጠቒሳ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8B%A9%E1%88%9B%E1%8A%95-%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%89%B5%E1%88%B5-%E1%8B%8E%E1%89%BD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%88%B0%E1%8D%8A%E1%88%95-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%8C%A5%E1%88%95%E1%88%B0%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%B5%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%8A%A1-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%BD\/6252087.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ሸውዓተ ሰበ ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ነታ ሃገር ለቒቖም ክወጹ ኣዚዛ","content":"ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ንዝጸንሑ ሸውዓተ ሰበ ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ነታ ሃገር ለቒቖም ክወጹ ምእዛዛ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣፍሊጡ:: ወሃቢ ቃል'ቲ ሚኒስትሪ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ትካል ህጻናት ኣድህን ሕ\/ሃ:ናይ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ጉዳያት ጨንፈር ኢትዮጵያ: ሓደ አባል ቤት ጽሕፈት ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያትን ሓደ አባል ቲ ጉጅለን ዝርከብዎም ሸውዓተ አባላት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት'ታ ሃገር ጣልቃ ብምእታዎም ዝብል ክሲ ብ'ፐርሶና ና ግራንታ' ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ነታ ሃገር ለቒቖም ክወጹ ኣዚዙ'ሎ:: ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣስማት’ቶም ፐርሶና ናን ግራታ ዝተባሃሉ ወጻእተኛታት ወግዓዊ ምግባሩን ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ንክወጹ ከምዝተወሰነን ተሓቢሩ'ሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብወገኖም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሓደ ላዕለዋይ በዓል መዚ ሰብኣዊ ጉዳያት ሓዊሱ ንሸውዓተ ሰበ ስልጣን ሕ \/ሃ ካብ ሃገሩ ክወጹ ምእዛዙ ከምዘሰንበዶም ገሊጾም:: ንሶም ኣብ መግለጺኦም ‘ኩሎም ንጥፈታት ሰብኣዊ ወፍሪታት ሕቡራት ሃገራት፣ ብሰብኣዊነት፣ ጸግዒ ዘይምሓዝ፣ ዘይሸራዊነትን ነጻነትን ዝብሉ መትከላት ዝምርሑ’ዮም’ ኢሎም። ኣንቶንዮ ጉተረዝ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ንመግቢ፣ መድሓኒት፣ ማይን መጸራረዪ ቀረባት ሓዊሱ ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ይልግስ ከምዘሎ፣ ነዚ ስራሕቲ’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ይዓዩ ብዘለው ሰባት ሙሉእ ምትእምማን ኣለኒ ኢሎም ። ሕቡራት ሃገራት ነቶም ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ህዝቢታት ኢትዮጵያ ይረድእ ከምዘሎ ዝገለጹ እቶም ዋና ጸሓፊ፣ እቶም ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ ነቲ ኣገዳሲ መደቦም ንክፍጽሙ መታን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘራረብ ኣለና ኢሎም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%B8%E1%8B%8D%E1%8B%93%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%88%95%E1%89%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8D%E1%88%BD%E1%8C%A2-72-%E1%88%B0%E1%8B%93%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%90%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%88%88%E1%89%92%E1%89%96%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%8B%88%E1%8C%B9-%E1%8A%A3%E1%8B%9A%E1%8B%9B\/6251820.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ዝምስረት ሓድሽ መንግስቲ መዝነት ዝተዋህቡ ክልተ ፓርቲታት መርገጺኦም ገና ከምዘየፍለጡ ሓቢሮም","content":"ኢዜማ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዝምስርቶ ዘሎ መንግስቲ ነቲ ፓርቲ ዝተዋህበ መዝነት ከይቕበሎ ከምዝኽእል ገሊፁ። ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ትማሊ ሰሉስ ሓዱሽ መንግስቲ ክምስርት ከሎ ከንቲባ ኮይንነን ዝተመረፃ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ካብኒአን ናይ ኢዜማን ናይ ኣብን ኣባላት ሸይመን ኣለዋ። ኣባል ኢዜማ ኣቶ ግርማ ሰይፉ ኮሚሽነር ኢንቨስትመንት ኣዲስ ኣበባ ኮይኖም ተሸይሞም ኣለው።ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ርእይትኦም ዝሃቡ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ኢዜማ ኣቶ ናትናኤል ፈለቀ ናይ ኣቶ ግርማ ይኹን ናይ ካልኦት ኣባላት ፓርቲ ሽመት ተቐባልነት ዝርከብ ብውሳነ ናይቲ ጉባኤ ምዃኑ ተዛሪቦም። ናይ ኣብን ኣቶ የሱፍ ኢብራሂም ድማ ሓላፊ ምምሕዳር ንብረት ብምዃኑ ዝተሸሙ ክኾኑ ከለው ናይ ፌደራል መንግስቲ ሓዊሱ ጠቕላላ ናይ መንግስቲ ምስረታ ቅድሚ ምዝዛሙ መርገፂኡ ከምዘፍልጥ እቲ ፓርቲ ገሊፁ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%8B%E1%88%85%E1%89%A1-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%8C%88%E1%8C%BA%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%8A%93-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%A8%E1%8D%8D%E1%88%88%E1%8C%A1-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/6250625.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ዘይተኻየደሎም ገለ ክልላት ጽባሕ ምርጫ ክካየድ'ዩ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ዘይተኻየደሎም ከባቢታት ፅባሕ ሓሙስ ድምፂ ከምዝወሃብ ኣብ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዳይረክተር ኮሚኒኬሽን ሶሊያና ሽመልስ ገሊፀን:: ብመሰረት ፀብፃብ መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ሃረሪን ሶማሊያን ከምኡ'ውን ፅባሕ ህዝበ ውሳነ ኣብ ዝወሃበሉ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ስራሕ ክዕፀው እዩ ኢለን። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ብዝሒ ቁፅሪ ተወዳደርቲ ፓርቲታት ዝሓዘ ክልል ሃረሪ ፅባሕ ሓሙስ ምርጫ ከካይድ እዩ ። ምስ ቦርዲ ምርጫ ብዝነበሮም ዘይምስምማዓት ኣብ ቤት ፍርዲ ክከራኸሩ ብምፅነሖም ተናዊሑ ዝፀንሐ ከይዲ ምርጫ ከካይድ እዩ:: ኣብቲ ፅባሕ ዝካየድ ምርጫ ሸውዓተ ፓርቲታት ፖለቲካ ክወዳደሩ እዮም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%BB%E1%8B%B5%E1%88%BB%E1%8B%AD-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B0%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%88-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8C%BD%E1%89%A3%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8B%A9-\/6250470.html"} {"headline":"ኬንያ ሓደጋ ደርቂ የንጸላልዋ ኣሎ","content":"ኣህጉራዊ ትካል ኮሚተ ድሕነት (IRC) ብሰንኪ ስእነት ዝናብ፡ ኣስታት ክልተ ሚልዮን ኬንያውያን ሓደጋ ጥሜት የንጸላልዎም ከም ዘሎ ሓቢሩ። ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ’ውን ዝሓለፈ ወርሒ፡ ናይ ሓደጋ ግዜ ኣዊጆም ኣለዉ። ል ወዲ 36 ዓመት ሱሌማን ኣሕመድ ዑስማን 50% ካብ ከብቱ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብድርቂ ሞይተንኦ። እቲ ኵነታት እናኸፍአ ይመጽእ ብምህላዉ ድማ ካልኦት ክስዕባ ምዃነን ስክፍታኡ ይገልጽ። “ብዙሓት እንስሳታት ስለ ዝሞታና ምንጪ ኣታዊ የብልናን። ንመዓልታዊ መነባብሮና ኣብ ስጋን ጸባን ክንምርኰስ እንከሎና፡ ካልእ ከም ሽኮርን መግቢን ድማ ካብኣተን ሼጥና ኢና ንረኽቦ ኔርና። ሕጂ እተን እንስሳታት ኣዝየን ዓቢረን ክሕለባ ኮነ ክሽየጣ ዝኽእላ ኣይኰናን።” ኣህጉራዊ ኮሚተ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሒን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመትን ፈለማ ናይዚ ዓመትን፡ ኬንያ እኹል ዝናብ ስለ ዘይረኸበት፡ ናብ ድርቂ ተምርሕ ከም ዘላ ኣጠንቂቑ ኣሎ። ገለ ክፋል ኬንያ ፍርቂ ናይቲ ልሙድ መጠን ዝናብ ጥራይ ክረክብ እንከሎ፡ ኣብ ገሊኡ 25% ጥራይ’ዩ ረኺቡ። ዓብዱላሂ ሙሳ፡ ነተን ኣስታት 100 ዝዀና ከብቱ መግቢን ማይን እናገዝአ’ዩ ከካይደን ጸኒሑ። ብኣገላልጻ ዓብዱላሂ፡ ዋላ’ኳ ንባዕሉ ከቢድ ክሳራ ከም ዘየጋጠሞ እንተ ሓበረ፡ ካልኦት ግን ወይ ናብ ሶማል ተሰዲዶም ገሊኣቶም ድማ ክሳብ 90% ናይ ከብቶም ከም ዝመቶኦም ይሕብር። ኣህጉራዊ ኮሚተ ድሕነት (IRC) ኣስታት 2.1 ሚልዮን ኬንያውያን ሕጽረት መግቢ የንጸላሉዎም ከም ዘሎ የመልክት። ብመሰረት ሓበሬታ እዚ ቤት ጽሕፈት ኣስታት ፍርቂ ካብታ ሃገር በዚ ደርቂ ክጽለው እዩም። እቲ ድርቂ ሰንሰለታዊ ክትትል ፈጢሩ ንዝቕጽል ዓመታት’ውን ሳዕቤናት ክህሉዎ ምዃኑ ኣህጉራዊ ኮሚተ ድሕነት የተሓሳስብ። ምልውዋጥ ዓለማዊ ክሊማ ንተደጋጋሚ ደርቂን ወራር ኣንበጣን የኸትል ከም ዘሎ ድማ እቲ ቤት ጽሕፈት የረድእ። በዓልመዚ ምክትታል ደርቂ ኬንያ፡ ስእነት መግቢ ክሳብ መወዳእታ’ዚ ዓመት ክቕጽል ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ ኣሎ። እቲ ኣዝዩ ተጸልዩ ዘሎ ኣከባቢ ኣብ ዝመጽእ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝናብ ምስ ዝረክብ ግን እቲ ተኽእሎ ክመሓየሽ ከም ዝኽእል እቲ በዓልመዚ ይሕብር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AC%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B-%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%8B%A8%E1%8A%95%E1%8C%B8%E1%88%8B%E1%88%8D%E1%8B%8B-%E1%8A%A3%E1%88%8E\/6250431.html"} {"headline":"ሓዳሽ ዝተመርጻ ከንቲባ ከተማ አዲስ አበባ ካቢነኣን መስሪተን","content":"ሓዲሽ ዝተመስረተ ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከንቲባ ጌሩ ዝመረጸን ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤ ሚኒስተራት ፈደራል መንግስቲንን ኣባላት ተወዳደርቲ ፓርቲታትን ዝሓቆፈ ካቢነ ከም ዝመስረታ ተገሊጹ። ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ዝተመስረተ ክኸውን እንከሎ 138 ኣባላት ብዘለዉዎ ቤት ምኽሪ ኸንቲባ ዝኾና ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤ ቃለ ማሕላ ድሕሪ ምፍጻመን ኣብ ዘስመዕኦ መደረ እቲ ሓዲሽ ቤት ምኽሪ ዝተመስረተ ምርጫ ንኸይግበር ዝነበሩ ዝበልኦም ናይ ወጻኢ ጣልቃ ምትእትታው ተጻዊሩ ዝተገብረ ብምዃኑ ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ ኢለን። ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤ ንሚኒስትር ምክልኻል ዶክተር ቀንዓ ያደታን ሚኒስትር ባህልን ቱሪዚምን ዶክተር ሂሩት ካሳሁን ካብ ኢዜማ አቶ ግርማ ሰይፉን ካብ ኣብን ኸኣ ኣቶ የሱፍ ኢብራሂምን ዝሓቆፈ ሓዲሽ ካቢኔ መስሪተን ኣለዋ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8B%B3%E1%88%BD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%AD%E1%8C%BB-%E1%8A%A8%E1%8A%95%E1%89%B2%E1%89%A3-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%AB%E1%89%A2%E1%8A%90%E1%8A%A3%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AA%E1%89%B0%E1%8A%95\/6249320.html"} {"headline":"ሰልፊ ተወላዶ ትግራይ ኣብ ኒውዮርክ","content":"ብሰኑይ 27 መስከረም፡ ተወለዶ ትግራይ ኣብቲ መበል 76 ስሩዕ ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝካየደሉ ዘሎ ከተማ ኒው-ዮርክ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም ነይሮም። ንዕላማ እቲ ሰለማዊ ሰልፊን ካልእ ምስኡ ዝተኣሳሰር ጉዳዳያትን፡ ንሓንቲ ካብቶም ወደብቲ እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ዝዀነት ማእዛ ግደይ አዘራሪብናያ አለና ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B6-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%92%E1%8B%8D%E1%8B%AE%E1%88%AD%E1%8A%AD\/6247565.html"} {"headline":"መደረ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕ\/ሃ","content":"እቲ ካብ ዝሓለፈ ሰሉስ መስከረም 21 ጀሚሩ ኣብ ኒውዮርክ ዝካየድ ዘሎ መበል 76 ሓፈሻዊ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መደረኦም ብቪድዮ ዝቀረበ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ሳዕቤናት ከባቢያዊ አየርን ለበዳ ኮቪድ 19ን ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ዘብፅሖ ዘሎ ሳዕቤን ሰፍ ዘይብል ሓይሊ ሚዛን ዓለም ዘነቃነቐን እዩ ኢሎም ። ኣብዚ እዋን ማሕበረሰብ ዓለም ርእይዎ ዘይፈልጥ ሰለስተ ዓበይቲ ፈተንቲ ፀገማት ገጢሙዎ ይርከብ ኢሎም። ከም መግለፂ እቶም ሚኒስትር ስጋብ ሕጂ መዓልታዊ ሰባት እናቀተል ዝቅፅል ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 እቲ ሓደ ክኸውን ከሎ ፣ህይወት ህዝቢ ዓለም ንሓደጋ ዘቓልዐ ዘሎ ለውጢ ኸባቢያዊ ኣየርን ከምኡ'ውን ምስ ምልውዋጥ ሓይሊ ሚዛን ዓለም ዝመበገሲኡ ዓለምለኸ ንሕንሓትን ንዑዑ ስዒቡ ዘጋጥም ጎንፅን ክብሉ ይገልፅዎም ። “እዚኦም ድማ ንገለ መሰረታውያን ሓቅታት ዘቃልዑ እዮም ኣብ ዝተወሰና ተምሳሌት ቁጠባዊ ዕብየት ተገይረን ንዘመናት ክውሰዳ ዝፀንሓ ሃገራት ስጋብ ሕጂ ንምሕደራ ውሽጥን ደገን ዝጥቀማሎም መስርሐን ኩለንተናውን ዘይድፈሩን ክበሃሉ ዝፀንሑ መለክዕታት ነቲ ሕጂዘሎ ጉድለት ዝርኣየ እዮ ።” ክብሉ ዝማዕበላ ሃገራት ዓለምለኻዊ ስርዓት ንምዕሳልን ንምውህሃድን ዝተኸተለኦም ፖሊሲታት ዓለምለኸ ህድኣትን ምዕባለን ኣየምፅኡን ክብሉ ወቂሶም ። ብምኻኑ ካብ ዝተወጣሕናዮ ኮረቻ ፈረስና ወሪድና ነዞም ጥፍኣት ብእዋኑ ፣ ብቅንዕንናን ተገዳስነትን ክንሓስበሎም ይግባእ ኢሎም። ዓለምለኸ ሸቶታት ልምዓት ንምዕዋት ፣ እናተጋደደ ዝመፅእ ዘሎ ከባቢያዊ ለውጢ ኣየርን ንሓደጋታት ሰላምን ፀጥታን ዓለም ቅልጡፍ ምላሽ ዝህብ ፅኑዕ ውሳነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የድሊ ኢሎም ። ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብቲ ንጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝጠመተ መደረኦም ምስ ለበዳ ኮቪድ 19 ተተሓሒዙ ዘጋጠመ ቁጠባዊ ፀገማትን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሑ ግጉያት ፖሊሲታት ምኽንያት ንጎንፅታት ቓሊዑ ይርከብ። ካብዚኦም ንውጥረት ዶባትን ምስ ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዞም ዝለዓሉ ይጠቅሱ ። እቶም ሚኒስትር እዞም ጉዳያት ባዕሎም እቶም ሰብ ጉዳይ ንሓባራዊ ጥቅምታቶም ብዝጥዕም ተዛትዮም ክፈትሕዎ ዝግባእ እዩ ኢላ ኤርትራ ከምtአምን'ውን ገሊፆም ። ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ 2018 ዝተፈራረመኦ ውዕል ሰላም ልዑል ተስፋ ስላምን ልምዓትን ሒዙ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ህዝብታት ልዑል ሓጎስን ፈጢሩ ዕብየትን የምፅእ ምህላዉ ገሊፆም ። ይኹን'ምበር ህወሓት ግን ነዚ ሰናይ ተበግሶ ካብ ዘይምቅባል ፣ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ንምዝራግን ዳግም ብሓይሊ ናብ ስልጣን ንምብሓት ተግባራት ዕንወት የካይድ ኣሎ ኢሎም ። “ኣብዚ ክዝከር ዝግበኦ ህወሓት ኣብ ስልጣን እናሃለወ ንኽልተ ዓሰርተ ዓመታት ሉኣላዊነት ግዝኣታት ኤርትራ ብምድፋር ብግልፂ ዓለምለኸ ሕጊ ብምጥሓስ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ንዝወሰኖ ውሳነ ንኸይትግበርን ዕንቅፋት ኮይኑ ፀኒሑ እዩ ።” ኣቶ ዑስማን ህወሓት ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ሓይሊ ምክልኻል ኢትዮጵያ ሃንደባታዊ ሓደጋ ብምውራድ ወተሃደራዊ ኣፅዋራት መንዚዑ ደጊሙ ናብ ስልጣን ንምምፃእን ብኡ ድማ ንኤርትራ ንምጥቃዕ ዓሊሙ ዝፈፀሞ ተግባር ጥፍኣት 'ዩ ኢሎም ። ነቲ ጨካን ጉጅለ ክብሉ ዝፀውዕዎ ድልየታቱ ከፈፅም ኣሜሪካን ኣውሮጳን ይሕግዘኦ ኣለዋ ክብሉ ነቂፎም ። እዚ ቅድም ኢሉ'ውን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክፍፀም ዝፀንሐን ሉኣላዊነት ሓንቲ ሃገር ከምድላዮም ክጥምዝዙ ዝደልዩ ሓይልታት ዝግበር ድፍኢት ጠጠው ክብለን ካብ ተግባራቶም ክቁጠቡ ኣተሓሳሲቦም ። ሰራዊት ኤርትራ “ ከበድቲ ግፋዕታት ሰብኣዊ መሰላት ፈፂሞም “ ብዝብል ግዳያት ሓደጋ ዝኾኑ ነበርቲ እቲ ኸባብን ብዓለምለኸ ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ክኽሰሱ ፀኒሖም እዮም ።ንኣሜሪካ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ሰበ ስልጣናት ኣውሮጳ'ውን ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ኢትዮጵያ ከተውፅእ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ክፅዉዑ ተሰሚዖም እዮም ። ከምኡ'ውን መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ስቪል ህዝቢ ወሪዱ ንዝተባህለ ጭካንያዊ ተግባራት ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ላዕለዋይ ኣዛዚ ጦር ሰራዊት ኤርትራ ብዓለምለኸ ሕጊ ማግኘነትስኪ ኣብ ቀረባ ማዕቀብ ምንባሩ ዝዝከር'ዩ ። ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ግና ኣብቲ ትማሊ ኣብ መበል 76 ዓመታዊ አኬባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘስምዕዎ መደረ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ወተሃደራቶም ኮነ ዝኽሰሱሎም ጥፍኣታት ዝበልዎ ነገር የለን ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8B%B0%E1%88%A8-%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%93%E1%8D%88%E1%88%BB%E1%8B%8A-%E1%8B%8B%E1%8B%95%E1%88%8B-%E1%88%95-%E1%88%83-\/6249130.html"} {"headline":"ምክትል ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ጣልዋ ዝኣትው ዘሎ ማሕበረሰብ ዓለም ካብ ተግባራቶም ክቑጠቡ ኣጠንቕቖም","content":"እቲ ዝሓለፈ ዓመት ኢትዮጵያ ብዙሓት ዓወታትን ፈተናታትን ዝገጠምዋ ዓመት ምንባሩ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮንን ተዛሪቦም ። ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝካየድ ዘሎ መበል 76 ዓመታዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተረኽቡ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃእን ኢትዮጵያ ደመቀ መኮንን ትማሊ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ጣልቃ ይኣትው ንዘሎ ማሕበረሰብ ዓለም ብምኽሳስ ካብ ተግባራቶም ክቑጠቡ ኣተሓሳሲቦም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%88%8D-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8C%A3%E1%88%8D%E1%8B%8B-%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%8D-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%89%B0%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%88%AB%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%89%91%E1%8C%A0%E1%89%A1-%E1%8A%A3%E1%8C%A0%E1%8A%95%E1%89%95%E1%89%96%E1%88%9D\/6247531.html"} {"headline":"ዘተ ኣብ ኩነታት ክልል ትግራይ","content":"ንኣባል ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይን ኣባል መሪሕነት ባይቶ ዓባይ ትግራይን ኣቶ ኪዳነ ኣመነን ኣባል መሪሕነት ፓርቲ ነጻነት ትግራይ ኣቶ መሓሪ ዮሃንስን አብዚ ቀረባ ዝሃብዎ ቃል ምልልሳት ብዝምልከት ዘተ አካይድና አለና። ኪዳነ ኣመነ \"ስሙር ብሄራዊ ባይቶ ክምስረት ኣለዎ\" ክብል ከሎ፣ ኣቶ መሓሪ ዮሃንስ ብወገኑ \"ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ኣንጻር ረብሕኡ ንክቃለስ፣ ንኣማራጺ ሓሳብ ንከይሰምዕ እያ ኣሲራ ሒዛቶ ዘላ\" ከምዝበሉ ዝዝከር እዩ። ፕሮፈሰር ጌታቸው አሰፋ ካብ ካልጋሪ ካናዳ፣ ጌታቸው ተማረን መርስኤ ኪዳነን ካብ'ዚ ካብ ኣመሪካ ኣብዚ ጉዳይ ዘተ አካይዶም ኣለው:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/6247596.html"} {"headline":"ሰራዊት ሱዳን ዶብ ሰጊሮም ናብታ ሃገር ክኣትው ዝፈተኑ ሓይልታት ኢትዮጵያ ምምላሱ ሓቢሩ","content":"ሰራዊት ሱዳን ብዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሊቖም ንምእታው ዝፈተኑ ሓይልታት ኢትዮጵያ ከምዝመለሰ ትማሊ ሰንበት ኣፍሊጡ። ወታሃደራዊ መገልፂ ሱዳን ዝርዝር ሓበሬታ ከይሃበ ሓይልታት ኢትዮጵያ ካብ ኡም ባራኪት ንድሕሪት ኣንሳሒቦም ተመሊሶም ኣለው ኢሉ። ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብዱል ፋታሕ ኣል ቡርሓን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ ቃል እቲ ኣጋጣሚ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ከምዝተፈፀመን ኣብ ፅባሕ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈተነ መፈንቅለ መንግስቲ እቲ ሰራዊት ነታ ሃገር ከመይ ከምዝከላኸል ዝሕብር እዩ ኢሎም። ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነ ርእይቶ ክህቡ ዝቐረበሎም ሕቶ ኣይመለሱን። ኣብ ክልል ትግራይ ግጭት ካብ ዝልዓል ጀሚሩ ኣብ ዶብ ክልትኤን ሃገራት ወጥሪ ንሂሩ ይርከብ። እቲ ወጥሪ ኣል ፋሽካ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ኣብ ኣሰሓሓቢ ልሙዕ ናይ ሕርሻ መሬት ዝጠመተ እዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%8D-%E1%8B%9D%E1%8D%88%E1%89%B0%E1%8A%91-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%B1-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6247474.html"} {"headline":"ሚንስትር ደቂ ኣንስትዮ: ህጻናትን መንእሰያትን ኢትዮጵያ ፊልሳን ዓብዱላሂ ናይ ስልጣን መልቀቒ ደብዳበ ኣቕሪበን","content":"ሚንስትር ደቂ ኣንስትዮ:ህፃናትን መናእሰይ ኢትዮጵያ ፊልሳን ዓብዱላሂ ናይ ስልጣን መልቀቒ ደብዳበ ኣቕሪበን።ንሰን ብትዊተር ኣቢለን ሎሚ ሶኑይ ኣብ ዝዘርግሕኦ ናይ ስራሕ መልቀቒ ደብዳበ ብውሱን ሰብኣዊ ፀጋታትን ብዘይ ብቑዕ በጀትን ውፅኢት ንምምዝጋብ ንእሽተይ ኣብ ዝሰርሕ ሚንስትሪ ኮፍ ምባል ንውድቀት ከምዝተዳለው ኮይኑ ይስምዓኒ ኢለን።ይኹን እምበር ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዕድላትን ብድሆታትን እንተነበሩ እውን ዓብይ ምዕባለ ምምዝጋብና ብኩርዓት ምዝራብ ይኽእለ እየ ኢለን። ድሕሪ ዕቱብ ምሕሳብን ነገራት ኣብ ግምት ብምእታውን ናብዚ ውሳነ ምብፅሐን ብምግላፅ ስነ ምግባረይ ዝጥሕስ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ምስ ናተይ እምነትን ክብርታትን ዝፃባእ እዩ ኢለን። በዞም ምኽኒያታት ብናይ ውልቀይ ናይ ሕሊና ሚዛን ሽዑ ንሽዑ ግብራዊ ዝኸውን ናይ ስልጣን መልቀቒ ይሓትት ኣለኹ ኢለን። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ንዝሃቡወን ሓላፍነት እውን ኣመስጊነን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AD-%E1%8B%B0%E1%89%82-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AE-%E1%88%85%E1%8C%BB%E1%8A%93%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AB%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8D%8A%E1%88%8D%E1%88%B3%E1%8A%95-%E1%8B%93%E1%89%A5%E1%8B%B1%E1%88%8B%E1%88%82-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%89%80%E1%89%92-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%89%A0-%E1%8A%A3%E1%89%95%E1%88%AA%E1%89%A0%E1%8A%95\/6247461.html"} {"headline":"በዓል ቅዱስ መስቀል ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተኸቢሩ","content":"በዓል ቅዱስ መስቀል ኣብ በበይኑ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብኽብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ከም ዝተኽብረ ጻብጻባት ልኡኻት ድምጺ ኣመሪካ ካብ ኣዲስ-ኣበባ፣ ካብ ወልቂተ፣ ካብ ባህር-ዳር፣ ካብ ደሴ፣ ካብ ኣምቦን ካብ ድሬዳዋን የመልክት። እዚ ይዅን እምበር፡ ኣብ መቐለን ዓዲ-ግራትን ብድምቀት ዝኽበር ዝነበረ በዓል ሎሚ ዓመት ግን ኣብ ኣደባባይ ዘይኰነስ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ቤተ-ክርስትያናት ጥራይ ተሓጺሩ፡ ብንኡስ ዓቕሚ፡ ከም ዝተዘከረ ልኡኽን ድምጺ ኣመሪካ ካብ መቐለ ጸብጺቡ። በዓል ቅዱስ መስቀል ብተመሳሳሊ ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ርእሲ ኣድባራት ደብረጽዮን ቅድስቲ ማርያም ዝተኻየደ ናይ ዳሜራ ስነ-ስርዓት ብውሱን ተሳትፎ ከም ዝተኻየደን ወኪልና ካብ ኣስመራ ልኢኹ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%89%85%E1%8B%B1%E1%88%B5-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%89%80%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%89%A2%E1%88%A9\/6247230.html"} {"headline":"ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ ታሪኽ ሰሪሑ","content":"ወዲ-21 ተቐዳዳሚ ብሽክለታ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብ ፍላንደርስ በልጂም ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውድድር መሮር ትሕቲ 23 ዓመት፡ ካልኣይ ኰይኑ ብምውጻኡ ንነብሱን ሃገሩን ኣብዚ ምድብ ንፈለማ ብሩር መዳልያ ዘግዘመ ተወዳዳሪ ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ። እዚ ዓወት’ዚ ብደረጃ ኣፍሪቃ’ውን ናይ መጀመርያኡ ምዃኑ’ዩ። ውድድር ክዛዛም ኣብ መራሒት ጕጅለ፡ ኣብ መበል 12 ተሰሪዑ ዝነበረ ቢንያም፡ ኣብ ሓጺር ርሕቀት፡ ብዘደንቕ ቅልጣፈ ንመወዳድርቱ ፈልዩ ክዕወት ምኽኣሉ፡ ኣቓልቦ ብዙሓት ኣፍቀርቲ ብሽኽለታ ስሒቡ ኣሎ። ኣብ 2018 ሻምፕዮን ውድድር ብሽክለታ ድሕሪ ምዃኑ፡ ኣብ መሰልጠኒ ማእከል ዩሲኣይ (UCI) ንምጥርናፍ ኣብ 2018 ናብ ኤውሮጳ ዝሰገረ ቢንያም፡ ኣብዚ እዋን ምስ በልጂማዊት ጋንታ ኢንተርማሸ ዋንትይ-ጎበ (Intermarché-Wanty-Gobert) ተጠርኒፉ’ዩ ዝወዳደር ዘሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%89%B0%E1%89%90%E1%8B%B3%E1%8B%B3%E1%88%9A-%E1%89%A5%E1%88%BD%E1%8A%AD%E1%88%88%E1%89%B3-%E1%89%A2%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%88%9D-%E1%8C%8D%E1%88%AD%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%89%B3%E1%88%AA%E1%8A%BD-%E1%88%B0%E1%88%AA%E1%88%91-\/6247207.html"} {"headline":"ዕጡቓት ምንቅስቃስ ናጽነት ህዝብታት ቤንሻንጉል ንሓያለ ከባቢታት ዞባ ከማሼ ምቁጽጻሮም ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዕጡቃት ምንቅስቃስ ነጻነት ህዝብታት ቤንሻንጉል ቤህነን ንሓያለ ቦታታት ዞባ ካማሽ ድሕሪ ምቁጽጻሮም ተወሳኺ ሓይሊ ጸጥታ ሎሚ ናብቲ ዞባ ኣትዩ ክብል ኮሚሽን ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣፍሊጡ። ምኽትል ኮሚሽን ፖሊስ'ቲ ክልል ኢንስፔክተር ምስጋናው እንጅፍታ ምንቅስቃስ'ቶም ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ቅልውላው እንተፈጠረ'ዃ እ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ብምክንያት ዉሱን ሓይሊ ጸጥታ ሕጊ ምኽባር ኣይተኻእለን ክብሉ ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቦም። ብተወሳኺ ጸጥታ ኣብ ምኽባር ዝነበሩ ኣባላት ኣኽባሪ ሰላም'ውን ብኻልኦት ዕጡቓት ተቀቲሎም ክብሉ ወሲኾም። ኣብ ዞባ ካማሽ ዝንቀሳቀስ ቤህነን ካብ ዓቕሚ ምክልኻል'ቲ ኽልል ኮይኑ ምጽንሑን ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ፊደራል መንግስቲ ደገፍ ሓይሊ ጸጥታ ክሓቱ ከምዝጸንሑ ጠቂሶም ሎሚ ተወሳኺ ሓይሊ ናብቲ ዞባ ኣትዩ'ሎ ኢሎም። ብመንግስቲ'ቲ ክልል ዝኽሰሱ ዘለዉ ኣካላት ብስልኪ ማምላሾም ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ አይሰለጠን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%B5%E1%89%83%E1%88%B5-%E1%8A%93%E1%8C%BD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A4%E1%8A%95%E1%88%BB%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%8D-%E1%8A%95%E1%88%93%E1%8B%AB%E1%88%88-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%8A%A8%E1%88%9B%E1%88%BC-%E1%88%9D%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%8C%BB%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6244711.html"} {"headline":"ናይ ትግራይ ዓመፅቲ ብከቢድ ብረት ንስቪላት ደብዲቦም ዝብል ክሲ ቀሪቡዎም","content":"ዕጡቓት ክልል ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንገጠራትን ከተማታትን ብከቢድ ብረት ብምድብዳብ ኣብ ልዕሊ ስቪላት ቶኽሲ ብምኽፋት ንዓሰርተታት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ሰባት ቀቲሎም፣ኣቑሲሎምን ንብረት ዘሪፎምን ክብሉ መሰኻኽር ንኤኤፍፒ ተዛሪቦም።ህወሓት ከምዚኦም ንዝበሉ ክስታት ቅድሚ ሎሚ ብምንፃግ ብነፃ ወገን ክፃረ ፀዊዑ እዩ። ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣብ ጥቓ ከተማ ቆቦ ተፈፂሙ ዝበሎ \"ጭፍጨፋ’’ ክብል ገሊፁዎ ኣሎ:: ዋላ'ኳ ህወሓት ቅድም ክብል ንስቪላት ዒላማ ይገብር እዩ ንዝብል ክሲ ኣሉታ እንተሃበሉ እውን። መሰኻኽር ከምዝበሉዎ 9 መስከረም 2021 ተዋጋእቲ ህወሓት ካብ ቆቦ ንኣንፈት ደቡብ ሸውዓተ ኪሎ ሜትር ሪሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ ብረትን ኣፅዋርን ይፍትሹ ምስ ጀመሩ ነበርቲ ቶኽሲ ከፊቶም ንህወሓት ካብታ ከተማ ምስ ኣባረሩዎም እቶም ዕጡቓት ብፅባሒቱ ንስቪላት ከምዘጥቕዑ መሰኻኽር ገሊፆም። ኮሚኒኬሽን ብምዕፃው ኤኤፍፒ እቶም ተመዛቢሎም ኣብ ደሴ ካብ ዝርከቡ ዝረኸቦ ቃል መሰኻኽር ንምርግጋፅ ኣፀጋሚ እዩ። \"ንሓረስቶትን ካብ ጎረባብቲ ከባቢታት ንስራሕ ዝመፁን ጨፍጪፎም’’ኢሉ ነባራይ ከተማ ቆቦ ንኤኤፍፒ ካብ ደሴ ኣብ ዝሃቦ ቃል: እዚ ድሕሪት ዝተረፉ ኣባላት ስድርኡ ሓደጋ ከይወርዶም ብምስጋእ ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለየ ሰብ‘'ኣብ ሓደ ቀፅሪ ሸውዓት ሬሳ ሪአ።ኣርባዕቲኦም ካብ ሓደ ስድራ እዮም’’ኢሉ ። ካልእ ምስክር ካብ ደሴ ንኤኤፍፒ ከምዝገለፆ ኣብ ጥቓ ቆቦ ኣብ ዝርከብ ዞቡል ኣብ ዝተብሃለ ናይ ገጠር ዓዲ ህወሓት ቶኺስ ብምኽፋት ኣብ ልዕሊ ስቪላይ ከቢድ ጉድኣት ኣውሪዱ ዝሞቱ ሰባትን ዝዓነው ህንፃታትን ምርኣዩ ገሊፁ። ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ግዛቸው ሙሉነህ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ምሟቶም ብቲዊተር ፅሒፎም:ነዚ መረጋገፂ ኣይሃቡን። ህወሓት ከምዚ ዝኣመሰለ ክሲ \"ፍፁም ጌጋ’' እዩ ብምባል አካልብነፃ ክምርመር ፀዊዑ ኣሎ። ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን \"ህወሓት ኣብ ቆቦ ኣብ ልዕሊ ስቪላት ፈፂሙዎ ዝብሃል ዘሰንብዱ ፀብፃባት በፂሑና ኣሎ’’ ክብል ኣብዚ ሰሙን ገሊፁ ኣሎ። ህወሓት ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘካይዶ ዘሎ ውግእ ኣብ ክልል ትግራይ ስግኣት ሞት ዝፈጠረ ሰፊሕ ጥምየት ክኽሰት ዝገበረ ምኽባብ ንምስባር እዩ ይብል። ቶኽሲ ጠጠው ክብል ዓለምለኸ ፃውዒት እንተወሓዘን ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ልዝብ ዝተመስረተ ስምምዕ ክፍፅሙ ዘይኽእሉ እንተኾይኖምን ኣብ ልዕሊ ተዋጋእት ወገናት እገዳታት ዘንብር ፈፃሚ ትእዛዝ እንተፈረሙ እውን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሕጂ'ውን ቀፂሉ ይርከብ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ሰሜን ወሎ ከባቢ ቆቦን ከባቢኡን ብሓይልታት ህወሓት ተፈፂሙ ብዝተብሃለ መጥቓዕቲ ልዕሊ 500 ሰባት ብዛዕባ ምቕታሎም ሓበሬታ ከምዝበፅሑ ኢሰመጉ ገሊፁ። ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ካውንስል(ኢሰመጉ) 5 ጳጉሜን 2013 ተፈፂሙ ብዝተብሃለ መጥቓዕቲ ናይ ሕርሻ ዘራእቲ ሓዊሱ ናይ ውልቅሰባትን ህዝብን ንብረት ምዕናው ከምኡ እውን ብርክት ዝበሉ ሰባት ካብ መንበሪኦም ምምዝባሎም ብዝምልከት መረዳእታ ከምዝበፅሖ ኣፍሊጡ'ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-tigray-rebels-accused-of-shelling-shooting-civilians\/6244449.html"} {"headline":"ኦቻ ኣብ ጉዳይ ግጭት ኢትዮጵያ ዘውጽኦ ጸብጻብ “ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝገደድ” ምኻዱ ገሊጹ","content":"ምውህሃሃድ ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ)፡ ካብ ፈለማ ወርሒ ግንቦት ኣትሒዙ ከጽንዖ ዝጸንሐ ገምጋም ኢትዮጵያ ትማሊ 23 መስከረም ዘርጊሑ ኣሎ። እቲ ትካል ኣብ መግለጺኡ፡ ሰብኣዊ ኩነታት ትግራይ ብቐጻሊ እናኸፍአ ይኸይድ ከም ዘሎ ከመልክት እንከሎ፡ እቲ ውግእ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን’ውን ብምልሓሙ ንሰለስቲኡ ክልላት ኣዝዩ ጸልዩ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ጸብጻብ ኦቻ ከም ዘመልክቶ፡ ብ20 መስከረም 62 ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ናብ ክልል ትግራይ ይእተዋ ደኣ እምበር፡ እዚ ቍጽሪ 11 ሚእታዊት ናይቲ ዝድለ መጠን ምዃኑ ጠቒሱ። እቲ ጸብጻብ ወሲኹ፡ ንተመዛበልቲን ካልኦት በቲ ኲናት ዝተጸልዉ ወገናት ዝውዕል ገንዘብ’ውን ኣስታት 5% ናይቲ ዝድለ መጠን ጥራይ ተባጺሑ ምህላዉ ወሲኹ። ኣብ ክልል ትግራይ ዝጀመረ ኲናት ናብ ክልል ዓፋር ብምልሓሙ’ውን፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ’ቲ ክልል ካብ ሰለማዊ መነባብሮኦም ተመዛቢሉ ምህላዉ እቲ ጸብጻብ ይሕብር። ብተመሳሳሊ እቲ ኲናት ንኽልል ኣምሓራ ኣመና ጸልዩን ህይወት ሰለማዊ ህዝቢ ኣመዛቢሉን ከም ዘሎ ኣመልኪቱ። ብሕልፊ እኳ ኣብ ዝበዝሐ ክፋላት ጎንደር፡ ደቡብ ወሎን ዞባ ኣዊን ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ተመዛቢሎም፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ክረኽቡ ኣብ ዘይክእልሉ ደረጃን ውሕስነት ዝጎደሎ ህይወትን ይነብሩ ከም ዘለዉ ጸብጻብ ኦቻ ይጠቅስ። ኣብ ሰለስቲኡ ክልላት መጠናዊ ሓገዛት ደኣ ይባጻሕ ይሃሉ እምበር፡ እቲ ዓቐን ግን ካብቲ ዝድለ ኣዝዩ ትሑትን ዝያዳ ምውህሃድ ዝሓትትን ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A6%E1%89%BB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8C%8D%E1%88%AD%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%98%E1%8B%8D%E1%8C%BD%E1%8A%A6-%E1%8C%B8%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%89%A5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8A%B8%E1%8D%8D%E1%8A%A0-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%8B%B0%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BB%E1%8B%B1-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6244232.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ሩባ ኦሞ ብምምልኡ ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ኣስታት 62,000 ሰባት ካብ መንበሪኦም ምዝንባሎም ተሓቢሩ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ዞባ ደቡብ ኦሞ ወረዳ ዳሰነች ሩባ ኦሞ ብምምል ኡ ልዕሊ 62,000 ነበርቲ ካብ መንበሪኦም ምዝንባሎምን ንፀገም ምቕልዖምን ተሓቢሩ። ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ኦሞ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት የጋጥም ዝበሎ ሓደጋ ምዕልቕላቕ ሩባ ኦሞ ነባሪ ፍታሕ ንምርካብ ናይቲ ክልልን ናይ ፌደራልን መንግስታት ኣብ መፅናዕቲ ዝተመስረተ ስጉምቲ ክወስዱ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቡ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%A9%E1%89%A3-%E1%8A%A6%E1%88%9E-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A1-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%8D%E1%89%95%E1%88%8B%E1%89%95-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-62-000-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%88%AA%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9-\/6242970.html"} {"headline":"መንግስቲ ኣመሪካ ኣስታት ሓደ ሚልዮን መጠን ክታበት ኮቪድ ጆንሶንን ጆንሶንን ንኢትዮጵያ ወፍዩ","content":"ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ አዲስ- አበባ ልዕሊ 4.5 ሽሕ ዝግመት ጆንሶንን ጆንሶንን ዝብሃል ሓንሳብ ዝውሰድ ክታበት ኮቪድ-19 ንሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ከም ዝረከበ ኣብ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ናይ ምርኽኻብ ስነ-ስርዓት ኣብ መንጎ ኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ጊታ ፓሲን ስቴትን ሚኒስተር ጥዕና ሰሃረላ ዓብዱላሂን፡ ኣብ ኣብ ማእከል ጥዕና ጃልመዳ’ዩ ተፈጺሙ። ብዘይካ’ቲ ድሮ ኣትዩ ዘሎ መጠን ክታበት ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ጆንሶንን ጆንሶን ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ክኣቱ’ውን ትጽቢት ይግበር። እቲ ሓገዝ ኣካል’ቲ ምምሕዳር ፕረዚደንት ባይደን-ሃሪስ ብመገዲ ኮቫክስ ዝገብሩዎ ዘለዉ ናይ ምብጻሕ ስራሕ ምዃኑ እቲ መግለጺ ይሕብር። ኣብቲ ናይ ምርኽኻብ ስነ-ስርዓት ዝተረኽባ ኣምባሳድር ፓሲ፡ ምስዚ ናይ ሎሚ ሓገዝ ክታበት፡ ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ዝሓገዘቶ መጠን ክታበት ናብ 2.5 ሚልዮን ክድይብ እንከሎ፡ ኣካል’ቲ ኣብ መንጎ ክልተ መንግስታት ዘሎ ዝምድና ምዃኑ ጠቒሰን። ለበዳ ኮቪድ ኣብ ዝጀመረሉ ንምክልኻሉ ኣብ ዝውዕል፡ ብወገን መንግስቲ ኣመሪካ፡ ንኢትዮጵያ 200 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ተዋሂቡ ምንባሩ’ውን እቲ መግለጺ ይሕብር። ኣብ መንጎ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያን መንግስቲ ኣመሪካን፡ ንዕስራ ዓመት ኣብ ዘሎ ናይ ግዜ ሰሌዳ ናይ ኣርባዕተ ቢልዮን ሓገዝ ውዕል ከም ዘሎ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ከመልክት እንከሎ፡ እዚ ናይ ሎሚ ሓገዝ’ውን ኣካሉ ምዃኑ ይሕብር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%89%B3%E1%89%A0%E1%89%B5-%E1%8A%AE%E1%89%AA%E1%8B%B5-%E1%8C%86%E1%8A%95%E1%88%B6%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8C%86%E1%8A%95%E1%88%B6%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%88%E1%8D%8D%E1%8B%A9\/6242676.html"} {"headline":"ትንተና ህልው ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ- ዶ\/ር ሚኪኤል ወልደማርያም","content":"ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዙሕ ፍጻመታት ኣሎ። ብዛዕባ’ዚ ዞባ ትንተና ክህበና ንዶክተር ሚኪኤል ወልደማርያም ዓዲምናዮ ኣሎና። ዶ\/ር ሚኪኤል ኣሶሸትድ ፕሮፈሰር ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ዳይረክተር ማእከል ምርምር ኣፍሪቃ ኣብ ቦስተን ዩኒቨርስቲን’ዩ። ሕቶ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣቢሉ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ተስፋ ዝተነብሮ ዞባ ተባሂሉ ይጥቀስ ነይሩ፡ ሕጂ ግን ኣብ ምንታይ ኵነት ከም ዘሎ ከተብርሃለይ? መልሲ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሕንፍሽፍሽ ከም ዘሎ ዘከራኽር የብሉን። እዞ ዞባ ንነዊሕ እዋን ሰላም ዘይጸንሖ ደኣ ይዅን እምበር፡ ሕጂ ግን ኣብ ፍጹም ዕንወትን ዕግርግርን’ዩ ዘሎ። ኣብ 2018\/19 ጽቡቕ ተስፋ ደኣ ይንበሮ እምበር እቲ ሕልሚስ በኒኑ’ዩ ይብል። እቲ ዞባ ካብታ ኣብ ፍጹም ኲናት ሓድሕድ ዘላ ኢትዮጵያ፣ ቅድሚ ትማሊ ፍሹል ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ዝተኻየደላን ገና ዘይረግአትን ሱዳን፣ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝጽበያ ዘለዋ ከም በዓል ኤርትራ፡ ጂቡቲ፣ ሶማል፡ ደቡብ ሱዳን ወዘተ. ኵላተን ኣብ ሕማቕ ቅርጺ’የ ዘለዋ። ብተዛማዲ ዝሓሸ ርግኣት ዘለዋ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ጥራይ’ያ። ብዘይካ’ቲ ውሽጣዊ ዘይርግኣት፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ምትፋንና (ከምእኒ ናብ ኲናት ክዓርግ ዝኽእል ዶባዊ ግርጭት ሱዳንን ኢትዮጵያን)’ውን ካልእ ኣሻቓሊ ጉዳይ’ዩ። ዋላ’ኳ ንደገ ዝወጸ ደኣ ኣይዅን እምበር፡ ኣብ መንጎ ብዙሓት ሃገራት እዚ ዞባ ግን ምትፍናን ኣሎ። እቲ ዝኸፍአን ነዚ ዘሎ ዞባዊ ግርጭት ዘግድዶን ከኣ ናይ ኣህጉራውያንን ዞባውያንን ሓይልታት ጽልዋ’ዩ። ሃገራት ከሊጅ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ቱርኪ፡ ግብጺ፡ ቻይና፡ ራሻ፡ ኣመሪካ፡ ሃገራት ኤውሮጳ ወዘተ. ኵላተን በበይኑ ረብሓታት ኣለወን። እዚ ከኣ ተደማሚሩ ነቲ ግጭት ነዳዲ ኣብ ምውሳኽ ተራ ኣለዎ። ሕቶ፡ እዚ ክመጽእ ይኽእል ኢልካ ገሚትካ ኔርካ’ዶ? መልሲ፡ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝነበረ መሰጋገሪ እንተ ርኢናዮ ዘይተርፍ ምዃኑ የመልክት ነይሩ። ካብ ሓደ ጸቓጢ ስርዓት ናብ ካልእ ክፉትን ደሞክራሲያዊን መገዲ ክሰግር ከሎ፡ ኵሉ ግዜ ልሙጽ መገዲ ኣይንጽበን ኢና። ክሳብ ክንድ'ዚ ይኸፍእ’ዩ ዝብል ግምት ግን ኣይነበረንን። ሕቶ፡ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን ኣብ ፍጹም ኲናት ሓድሕድ’ያ ዘላ’ሞ፡ ካብዚ ኲናት’ዚ ዝረብሕ መን’ዩ? መልሲ፡ ብግምተይ ረባሒ ኣካል ዘሎ ኣይመስለንን። ናይ ርሑቕን ቀረባን ዕላማታትን ሕልሚታትን እቶም ኣብቲ ኲናት ኣትዮም ዘለዉ ወገናት ምስ እንርኢ፡ እዚ ዘሎ ኲናት ንዝኾነ ኣካል ዘርብሓ ኣይመስለንን። ካልኦት ኣብቲ ዞባ ረብሓ ዘለዎም ናይ ደገ፡ ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ሓይልታት’ውን ካብዚ ኲናት’ዚ ረብሓ ዘለዎም ኣይመስለንን። ኵላቶም ኣብዚ ኲናት ኢድ ዘለዎም ወገናት፡ ረብሓታቶም ብሰላማዊ መገዲ ጥራይ ከውሕሱ ከም ዝኽእሉ ርዱእ’ዩ። ሕቶ፡ ብዙሓት ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ውዱባት ወይ ሓያላት ሃገራት ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ደው ንምባል ምቍራጽ ተጻብኦታትን ዘተን ይጽውዓ ኣለዋ። ነዚ ቅድመ-ኩነት’ዚ ዝሰማምዑ’ዶ ይመስለካ? ንዕኡ ንምግባር’ከ እንታይ ቅድመ-ኩነታት’ዩ ዝሕተት ዘሎ? መልሲ፡ ብዂናትን ውትህድርናን ዝፍታሕ ግጭት ዘይምዃኑ ኣዝዩ እናነጸረ ይመጽእ ኣሎ። እዚ ኲናት እንተ ቀጺሉ ድማ እቲ ሳዕቤናት ኣዝዩ ክዓቢ ምዃኑ ከኣ ርዱእ’ዩ። ንዅላቶም ተቐናቐንቲ ወገናት ናብ ጠረጴዛ ከምጽኦም ዝኽእል ድርኺት ግን ኣሎ። ኣብ ባይታ ኲናት ዝወርድ ዘሎ ዕንወታት ሓደ ካብቲ ንዘተን ምቍራጽ ተጻብኦታትን ድርኺት ዝገብር’ዩ። ካልእ ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ሓይልታት ዝወስዱዎ መርገጺን ድርኺትን’ዩ። ብዘይክኡ ግብረ-መልሲ ናይቶም ኣብቲ ኲናት ዝኣትዉ ዘለዉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተራ ክህሉዎ’ዩ። መወዳእታ ክርእዩ ምስ ዘይክእሉ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ክተት ዳግም ንኽሓስቡን ክምርምሩን ክግደዱ’ዮም። ሕቶ፡ ርእይቶኻ ኣብ ጉዳይ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዝሃቦ፡ ንእገዳ ዝምልከት ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ? መልሲ፡ እዚ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ መጀመሪ ናይቲ ብሕጂ ክውሰድ ዝኽእል ማዕቀባት ደኣ’ምበር ንባዕሉ ማዕቀብ ዘይምዃኑ ምዝኽኻር የድሊ። ኣብ ግብሪ እንተ ውዒሉ ንዝምድና ኣመሪካ ምስ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣዝዩ ክጸልዎ ምዃኑ ርዱእ’ዩ። ብኣናብባይ ግን እዚ ዓይነት ስጉምቲ ነቶም ተቐናቐንቲ ወገናት ጸቕጢ ንምግባርን ንዘተ ክቕበሉ ምድራኽን ይመስለኒ። ሕቶ፡ ካብቶም ኵላቶም ኣብቲ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብትሪ ክነጽጎ እንከሎ፡ ህወሓት ግን ንባዕሉ ኣብቲ ክህሉ ዝኽእል ማዕቀብ’ውን ተጠቒሱ እንከሎ ከም ዝተቐበሎ ኣመልኪቱ ኣሎ። ኣርኣእያኻ ኣብዚ ጉዳይ? መልሲ፣ ኣብ ዘተ ጠረጴዛ ምስ ቀረቡ ክርአ ዝኽእል ደኣ ይዅን እምበር፡ ሕጂ ድልውነቶም ንዘተ ጥራይ’ዮም ኣመልኪቶም ዘለዉ። እቲ ዘተ ምስ ዝፍጸም ዝወስዱዎ ስጕምቲ ብሕጂ ዝርአ’ዩ። ንኽትዛት ምስምማዕን ኣብቲ ዝግበር ዘተ ነቲ ዝቐርብ ቅድመ-ኩነታት ምቕባልን በብይኑ’ዩ። ብኻልእ ኣናብባ ከኣ ህወሓት ብዂናት ዝውዳእ ግጭት ዘይምዃኑ ዘስተወዓሉ ይምስሉ። ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብ ቅድሚ’ቶም ንዘተ ዝጽውዑ ዘለዉ ኣመሪካን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ንምፍታሕ እቲ ግጭት ቅሩብነት ከም ዘለዎም ንምርኣይን ጽቡቕ ስም ንምግዳፍን’ውን ክኸውን ይኽእል። እዚ ድማ ኣህጉራዊ ደገፍ ንምርካብ ክኽሕግዞም ዝኽእል’ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B5%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%8A%93-%E1%88%85%E1%88%8D%E1%8B%8D-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%88%AD%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83--%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%88%9A%E1%8A%AA%E1%8A%A4%E1%88%8D-%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%8B%B0%E1%88%9B%E1%88%AD%E1%8B%AB%E1%88%9D\/6242666.html"} {"headline":"ኣስታት 30 ትካላት ንኩነታት ኢትዮጵያ ብዝምልከት ቅሉዕ ደብዳበ ንዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃን ቀወምቲ አባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታን ጽሒፎም","content":"30 ትካላት ኣብ ክልል ትግራይ ህውከትን ዓፀቦን ከብቅዕ ዝፅውዕ ቅሉዕ ደብዳበ ንዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ቀወምቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታን ፅሒፈን። ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኒው ዮርክ ይካየድ ኣብዘለሉ ሕጂ እዋን እዘን 30 ትካላት ንዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ኣንቶኒዮ ጉተርዝን ንወኪላት ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዘሎ ህውከትን ዓፀቦን ከብቅዕ ስጉምቲ ክወስዳ ዝፅውዕ ናይ ሓባር ደብዳበ ፅሒፈን ኣለዋ። እቲ ደብዳበ ካብ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ስቪላት ካብ ረድኤት፣ ባንኪ፣ ኮሚኒኬሽን ተበቲኾም ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ሰባት ዓፀቦ ዝመስል ኩነታት ገጢሙዎ ኣለው ኢሉ ።እቲ ደብዳበ ወሲኹ ኣብቲ ክልል ዝተኻየደ ውግእ ፆታዊ መጥቓዕቲን ጥምየትን ሓዊሱ መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ከም ናይ ኵናት መሳርሒ ኣብ ጥቕሚ ውዒሎም ይብል ። እቲ ሎሚ ዝወፀ ደብዳበ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታን ነቲ ህዝቢ ንምሕጋዝ ዝስዕቡ ኣርባዕተ ስጉምታት ክወስዱ ፀዊዑ ኣሎ። ሰብኣዊ ረድኤት ንምቕራብን ቶኽሲ ጠጠው ክብልን ኩሎም ሓይልታት ካብ ክልል ትግራይን ኣብቲ ከባቢ ካብ ዘለዋ ክልላትን ክወፁ ክፅውዑ፣መንግስቲ ኢትዮጵያ ንፃዕርታት ረድኤት ዝዕንቅፉ ምዕፃው ሰብኣዊ ረድኤትን ቢሮክራሲያዊ ማሕለኻታትን ከልዕሎ ክሓቱ፣ተፈፂሞም ዝብሃሉ ክስታት ገበናት ኵናትን ካልኦት መግሃስታት ዓለምለኸ ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኸ ሕጊ ሰብኣዊ ረድኤትን ዝምርምር ዓለምለኸ ተቖፃፃሪን ገለልተኛ ምርመራን ክዋፈር ድፍኢት ክገብሩን ከም ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝኣመሰሉ ተቓወምቲ ጉጅለታት ዝሓቖፈ ሃገራዊ ዘተ ክካየድ ከተባብዑን ይፅውዕ። እቲ ደብዳበ ምስ ወፀ ምኽትል ፕረዚደንት ፕሮግራምን ፖሊስን ዓለምለኸ ስደተኛታት ሃርዲን ላንግ ‘’መሪሕነት ሕቡራት ሃገራት ወሳኒ እዩ፤ ንኣማኢት ኣሽሓት ህዝቢ ትግራይ ኣብ መንጎ ህይወትን ሞትን ዘሎ ኣፈላላይ ማለት እዩ’'ኢሎም። ኣስዕብ ኣቢሎም ‘'ብሰንኪ ጥምየት ሞት እናወሰኸ ብዝኸደ ቁፅሪ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ቤት ምኽሪ ፀጥታን ግዜ ቅድሚ ምሕላፉ ህይወት ንምድሓን ቕልጡፍን ዕቱብን ስጉምቲ ክወስዱ ነተሓሳስብ’’ኢሎም። ላንግ ብምውሳኽ \"እቲ እገዳ ናይ ግድን ክልዓልን ሓገዝ ናብ ዘድልዮም ወገናት ሰብኣዊ ረድኤት ክበፅሕን እቶም ወገናት ነቲ ግጭት ኣብ ልዝብ ዝተመስረተ ስምምዕነት ከናድዩን ንፅውዕ’’ ኢሎም ። ነቲ ደብዳበ ካብ ዝፈረሙ ኣካልት ገሊኦም ጥምረት ንህንፀት ሰላም፣ሕምባሻ ንዓለም፣ናይ ኢትዮጵያ ማሕበረሰብ ልምዓት ካውንስል፣ዓለማዊ ማእኸል ሓላፍነት ንምክልኻል፣ጃኮብ ብላውቲን ኢንስቲትዩት ንምስጓም ሰብኣዊ መሰላት፣ዓለምለኸ ስ ደተኛታት፣ማእኸል ንግዳያት መስቀይትን ናይ ኣመሪካ ኮሚቴ ንስደተኛታትን ስዱዳትን ይርከቡዎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-30-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%89%85%E1%88%89%E1%8B%95-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%89%A0-%E1%8A%95%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%8A-%E1%88%95-%E1%88%83%E1%8A%95-%E1%89%80%E1%8B%88%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3%E1%8A%95-%E1%8C%BD%E1%88%92%E1%8D%8E%E1%88%9D\/6241602.html"} {"headline":"ብዙሓት ኢትዮጵያዊያን ነቲ 'ዋሕዚ ጻዕዳ ደብዳበ ናብ ጻዕዳ ቤተ መንግስቲ' ዝብል ወፍሪ ይሳተፉ ምህላዎም ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ንዘጋጠሙ ሽግራትን ዝተሓላለኹ ጉዳያትን መፍትሒ ንምሃብ ኣብ ዝካየድ ፃዕሪ ኣመሪካ ዝለዓለ ጥንቃቐ ክትገብር \"ዋሕዚ ፃዕዳ ደብዳበ ናብ ፃዕዳ ቤተ መንግስቲ’’ ተባሂሉ ኣብ ዝተፀውዐ ወፍሪ ሰራሕተኛታት ሚንስትሪ ባህልን ቱሪዝምን ኣተሓሳሲቦም። እቲ ወፍሪ ንጉዳይ ህልውና ሃገር ወሳኒ ምዃኑ እውን ሚንስትር ባህልን ቱሪዝምን ዶ\/ር ሂሩት ካሳ ኣፍሊጠን። እዚ ናይ ዜጋታት ዲፕሎማሲያዊ ፕሮግራም ኣብ ኣዳራሽ ብሄራዊ ቲያትር ዝተኻየደ ክኸውን ከሎ ናብ ዋይት ሃውስ ክልኣኹ ዝተዳለው ሸውዓተ ዓይነታት ደብዳበታት ኣብቲ ሓደ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣተወተቶ ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያዊን ቅልውላው ወፂኣ ዴሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ክትሃንፅ ኣሜሪካ ብዕቱብ ክትድግፋ ይፅውዕ። እቲ ወፍሪ ቅድም ክብል ብኢትዮጵያዊያን መናእሰይ ኣስታት ሓሙሽተ ሚሊዮን ዜጋታት ፊርማ ብምትእኽኻብ ንፕረዚደንት ባይደን ንምልኣኽ ዝጀመሩዎ ከምዝኾነ ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%8B%99%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%90%E1%89%B2-%E1%8B%8B%E1%88%95%E1%8B%9A-%E1%8C%BB%E1%8B%95%E1%8B%B3-%E1%8D%96%E1%88%B5%E1%89%B3-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8C%BB%E1%8B%95%E1%8B%B3-%E1%89%A4%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8B%88%E1%8D%8D%E1%88%AA-%E1%8B%AD%E1%88%B3%E1%89%B0%E1%8D%89-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6241445.html"} {"headline":"ፕረ.ግብጺ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ዓለምለኸ ስምምዕ ክብጻሕ ጸዊዖም","content":"መራሕቲ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣብቲ ዋዕልኡ ዝቕጽል ዘሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት መደረኣን የስምዓ ኣለው። ፕረዚደንት ግብጺ ዓብድል ፈታሕ ኣል ሲሲ ኣቐዲሙ ኣብ ዝተቐረፀ ናይ ቪዲዮ መልእኽቲ ንሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዓለምለኸ ስምምዕ ክፍፀም ፀዊዖም። \"ናይል ናይ ግብፂ ናይ ህይወት መስመር እዩ እዚ ግብፂ ኣብ ግድብ ህዳሴ ዝስምዓ ዝለዓለ ስቓይ ዝሕብር እዩ’’ዝበሉ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ነቲ ዞባ ክዘርግ ዝኽእል ብሓደ ወገን ዝፍፀም ዘሎ ፖሊስ ስለዝኾነ ግብፂ ንኹሉ ኣብ ዝሓቖፈ ስምምዕ ክብፃሕ ቅርብቲ እያ ኢሎም። ፕረዚደንት ኣልሲሲ ኣብ ግድብ ህዳሴ ሓፈሻዊ፣ሚዛናዊን ብሕጊ ኣሳሪ ዝኾነን ስምምዕ ክህልው ፀዊዖም ኣለው። ኢትዮጵያ ምምላእ እቲ ግድብ ምስጀመረት ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ልዝብ ክቕፅል ግብፅን ሱዳንን ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ፀዊዐን እየን።ኢትዮጵያ ንዝኾነ ይኹን ናይቲ ቤት ምኽሪ ተሳትፎ ትቃወም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%96%E1%88%9D\/6241422.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ሰባት ብጥምየት ክሞቱ ምጅማሮም ይግለጽ ኣሎ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሓደ ጣብያ ጥዕና ሓንቲ ሓራስ ኣደ 1.7 ፓውንድ (0.77 ኪ.ግ) ምስ ዝምዘን ወዳ ብሰንኪ ጥምየት ሞይቶም ። ሓደ ሓገዝ ወሃቢ ትካል ኣብ ዝጥርንፈን 20 ወረዳታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰባት ንሞት ብዘብፅሕ ጥምየት ይሳቀዩ ምህላዎም ይሕብሩ ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምኽንያት ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ሓደጋ ጥምየት ከጋጥም ከምዝኽእል ከጠንቅቅ ፀኒሑ እዩ። ኣብ ዝሕለፉ 10 ዓመታት እቲ ዝኸፍኣ ሓደጋ ጥምየት ክከውን ከምዝኽእል እውን ይገልፅ ። ኣብዚ ሰዓት ውሽጣዊ ሓበሬታታትን መሰኻኽርን ከምዘረእይዎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ናብ ክልል ትግራይ ዘእትዉ መገድታት ኩሎም ምዕፃዉ ስዒቡ ብኣፀዋውዓ ውድብ ሕቡራት ሃገራት de facto ዝብሎ ግሁድ ምኽልካል ሰብኣዊ ሓገዛት ድሕሪ ምግባሩ ብጥምየት ዝሞቱ ሰባት ክረአ ጀሚሩ ። ህዝቢ ትግራይ ብሰብ ሰራሕ ጥምየት ክሳቀ ምግባር እቲ ኣብዚ እዋን ዘጋጥም ዘሎ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ እዩ ። ኣብቲ ጎንፂ ተጋሩ ብጅምላ ተጨፍጪፎም ፣ደቂ ኣንስትዮ ብጉጅለ ተዓሚፀን ፣ሰባት ካብ መንበሪኦም ተሰጉጎም ፣ ሕርሸኦም ተቃፂሉ ማሕበረሰብ እቲ ኸባቢ ጥርሑ ንኽተርፍ ንኣዋርሕ ዝተኻየደ ዘመተ ስዒቡ እዚ ድማ ሓዱሽ ዓይነት ቅትለት እዩ ዘጋጥም ዘሎ ። ኣመሓዳሪ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ነበር ኣቶ ሓየሎም ከበደ ኣብዚ ወርሒ ንሚኒስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ደዊሎም \" ህዝቢ ኢኹም ትቀትሉ ዘለኹም \" ኢለዮም ይብሉ: \" እወ ፣እሺ መልእኽትኹም ናብ ቀዳማይ ሚኒስትር ከንብፀሖ ኢና ኢሎምኒ እንታይ እሞ ክገብር ካብ ምንባዕ ሓሊፈ \" ኢሎም። ካብቶም ብሰንኪ ሕፅረት መግቢ ንኸቢድ ሓገዝ ኣብዞም ኣዋርሕ ናብ ሆስፒታሎም ዝመፁ 50 ህጻናት ምስሊ ንገሊኦም ንአሶሼትድ ፕረስ ኣርእዮሞ ። ካብኦም ሓደ ህፃን በቶም ብስንባደ ዝፈጠጡ ኣዒንቱ ትኽ ኢሉ ናብ ካሜራ እናጠመተ ብኣፍንጭኡ ኣትዩ ቁልቁል ብጎረርኡ ዝወረደ ሓገዝ መግቢ ክህቦ ዝተተኽለሉ ገመድ ዘንጠልጠለ ካብቶም ስእልታት ይርከቡዎም ። ኣቶ ሓየሎም\"ዝነበሩና መድሓኒታት ይወድኡ ኣለዉ ፣ ሰራሕተኛታት እዚ ሆስፒታል ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ መሃያ ኣይተኸፍሎምን ፣ ካብዚ ወፃኢ ዘሎ ኸባቢ 6 ሚልየን ዝበፅሕ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝከፍአ ኩነታት ይርከብ \" ይብሉ ። ጸብጻብ ኣሶሼትድ ፕረስ እዚ ሓገዛት ከይኣቱ ምኽልካልን ጥምየትን መቀፀልታ ናይቲ ንልዕሊ 10 ኣዋርሕ ኣቁፂሩ ዝርከብ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን \"ሓይልታት ትግራይን\" ክካየድ ዝፀንሐ ኲናት ሓዱሽ ምዕራፍ ምኳኑ እዩ ዘርኢ ይብል ። ሕጂ ኣሜሪካ ናይ መወዳእታ መጠንቀቅታ ሂባ ኣላ ። ብኹሎም ወገናት ዝካየድ ዘሎ ኲናት ጠጠው ክብልን ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ኩሉ ከባቢ ብዘይገለ ፀገም ክባፅሕን ፤ እንተዘይ ኮይኑ ግና ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ሓዱሽ ማዕቀባት ከከተንብር ምዃና ትሕብር ። መበገሲ እዚ ኲናት ኣብ መንጎ ተሸላማይ ኖቤል ሰላም 2019 ዝኾኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድን ኣብ ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን ስልጣን ሒዙ ዝፀንሐ ዓፋናይ ሃገራዊ መንግስቲ ክብል ኣሶሼትድ ፕረስ ዝፀወዖ ክመርሑ ዝፀንሑ ተወለድቲ ትግራይን እዩ ። ኣሶሼትድ ፕረስ ወሲኹ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ድማ ሓይልታት ኢትዮጵያን ሓይልታት ጎረቤት ሃገር ኤርትራን ብምኳን ፍልፍላት መግብታቶምን ትካላት ጥዕነኦምን ሰሪቆምን ኣዕንየሞምን እዮም ይብል ። ኣብ ዝሓለፍ ወርሒ ሰነ \"ሓይልታት ትግራይ\" ነታ ክልል መሊሶም ክቆፃፀርዋ ከለዉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ሰብኣዊ ምኽንያታት ብምቅራብ ምቁራፅ ተፃብኦ ኣዊጁ። ሰብኣዊ ሓገዛት ናብቶም ተዋጋእቲ ሓይልታት እዩ ዝኸይድ ብዝብል ስግኣት ናብታ ክልል ዘእትዉ መገድታት ዝያዳ ፀኒዖም ክዕፀዉ ተገብረ ። ልዕሊ 350,000 ሜትሪክ ቶን መግቢ ረድኤት ኣብ ኢትዮጵያ ተኸዚኑ እንተሃለወ'ውን ካብዚ እቲ ዝበዝሓ ናብ ትግራይ ዝስደድ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቲ ክልል ኣብ ዝግበሩ በረራታት ሒዞሞም ኣብ ዝኣትዉ ኣቁሑ ልዑል ፈተሻ ይግበር ። ዋላ ናይ ውልቀ ንብረቶም እውን እንተኾነ ከም ቫይታሚንን መድሓኒትን ዝኣምሰሉ እንተኾኑ'ውንክሓልፉ ዘይክእሉ ክብሉ ዝርዝር ኣቀሚጦም'ዮም ። ኣሶሼትድ ፕረስ ከምዝሓበሮ ንሃርድ ድራይቭን ፍላሽን ሓዊሱ ነቲ ዘሎ ቅልውላው መዝጊቦም ክሕዙ ዝኽእሉ ናውትታት'ውን ከይተረፈ ከልኪሉ ይብል ። ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዛትን ሰበስልጣናትን'ውን ብዝገጥሞም ልዑል ተፍቲሽ መሳርሕታቶም ከይተሓዙዎም ስለዝሰግኡ ካብ ትግራይ ዝወፁ ዝነበሩ ስእልታትን ምስልታትን ካብ ማሕበራዊ ሚድያ ጠፊኦም እዮም ። ትግራይ ኣብዚ ሰዓት ካብ ዉሑድ ኣገልግሎት ረዲኤት ወፃኢ ርክባት ቴሌኮሚኒኬሽን ፣ ኢንተርኔት ፣ኣገልግሎት ባንክን ወፃኢ ኾይና ፀልሚቱዋ ትርከብ ። ንቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ሓወሱ ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣናትን ኣብ ትግራይ ጥምየት የለን ይብሉ ። ፀብፃብ ኣሶሼትድ ፕረስ ኣብ ኣዋህባ ሓገዝ ረድኤት ንዝተፈጥረ ፀገም መንግስቲ ንሓይልታት ትግራይን ዝፈጥርዎም ሓደጋታትን ተሓታታይ ይገብር ። ከምኡ'ውን ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ንሓይልታት ትግራይ ስጋብ ምዕጣቅ ዝበፅሕ ሓገዝ ይገብሩሎም 'ዮም ክብል ይኸስስ ይብል ። ወሃቢት ቃል ቀዳማይ ሚኒስትር ቢል ለኔ ስዩም ዋላ'ኳ ኣገልግሎታት መሰረታውያን ነገራት እቲ ኽልል መንግስቲ ካብ መዓስ ጀሚሩ ከምዘፍቅድ እንተዘይ ገለፃ ቁፅሪ ጣብያታት ኬላ ካብ 7 ናብ 2 ብምውራድ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝኸውን ኣገልግሎት መገዲ ኣየር'ውን ከምዝተመዓራረየ ተዛሪበን ።ይኹን'ምበር ኣብቲ ፈላማይ ኣየር ሕብረት ኣውሮጳ ዝነበሩ ንቀረብ ሕክምና ዘገልግሉ ናውቲ መንግስቲ ብዘካየዶ ተፍቲሽ ንከይሓልፉ ከልኪሉ እዩ ። ከምዚኤን ዝበላ ነፈርቲ ድማ እቲ ዘድሊ ዓይነት ሓገዝ መግቢ ክሽከማ ኣይኽእላን ። \" ብሰንኪ እቲ ዘሎ ክልከላ ኣብ መብዛሕቲአን ወረዳታት ዝነበረና ሓገዛት ረድኤትን ነዳድን ተወዲኡ ፣ ህፁፅ ፍታሕ እንተዘይተረኺቡ ብሰንኪ ጥምየት ብዙሕ ሰብ ክመውት እዩ ። ሕብሪ ቆርበት ሰባት ክቅየር ጀሚሩ ፣ በቲ ረቂቅ ቆርበት ዝተሸፈነ ኣዕፅምቶም ይረአ ፣ ኣብኩሉ ኸባቢ ኣብ ገጠር ኮነ ከተማ ዝነብር ህዝቢ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ሓደጋ ጥምየት እናተጋደደ ብምኻዱ ሰባት ቆፅሊ ቀንጢሶም ክበልዑ ካብ ዝጅምሩ መዓልታት ተቆፂሩ ኣሎ ።\" ዝብሉ መልእኽትታት ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ በብእዋኑ ናብ ሓገዝቶም ዝሰድዎም ፀብፃባቶም እዮም ። ኣብ 1980 ብዝተፈጥረ ጎንፅን መንግስቲ ብዘርኣዮ ሸለልትነትን ከባቢ 1 ሚልየን ዝኸውን ህዝቢ ምሟቱ ኣብ ዓለም መዘራረቢት ኮይና ዝነበረት ኢትዮጵያ ካብኡ ንደሓር እታ ካብ ኣፍሪቃ ብበዝሒ ህዝባ ካልአይቲ ዝኾነት ሃገር ካብቲ ዓዘቅቲ ድኽነት ብምውፃእ ኣብ ዓለም ካብተን ቁጠበአን ብቅልጡፍ እናዓበይ ዝመፃ ሃገራት ሓንቲ ኾይና ታሪኽ ምዕባለ ዘመዝገበት ሃገር ኮይና እያ ። እዚ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ግና ቁጠባታትን ምዕባለን እዛ ሃገር የዳኽሞ ኣሎ:: ፀብፃብ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት ሕፅረት ዝተመጣጠነ መግቢ ዝሰኣኑ ዕድሚኦም ትሕቲ 5 ዓመት ዝኾኑ ህፃናት 30% ክበፅሕ ከሎ ኣብ ነፍሰፆራትን መጥበውትን ኣዴታት ድማ 80% በፂሑ ይርከብ ። ኲናት እናቀፀለ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ሓደጋ ጥምየት 'ውን ብኡ ልኽዕ ምግዳዱ ዘይተርፍ እዩ ። ሓይልታት ትግራይ ክብል ዝፀወዖም ኣሶሼትድ ፕረስ ኣብ ቀረባ እዋናት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝሰገሩ ኮይኖም ገለ ነበርቲ እተን ከባቢታት መስመር ቀረባት ካብምዕፃዎም ብተወሳኺ ግብረመልሳዊ ስጉምቲ ወሲዶም እዮም ክብሉ ይኸስዎም መንግስቲ ንዝወሰዶ ክልከላታት ንኸልዕል ዝግበር ዘሎ ድፊኢት እዩ ይብሉ ። ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ከምዝበሎ መሰኻኽራት ዝሕብሩዎ ብዙሓት ግፍዒታት ኣብ ልዕሊ ስቪል ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ እንተኾነ'ውን ፈፀምቱ ግና ኩሎም ወገናት እዮም ይብሉ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8C%A5%E1%88%9D%E1%8B%A8%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%9E%E1%89%B1-%E1%88%9D%E1%8C%85%E1%88%9B%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8B%AD%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BD-%E1%8A%A3%E1%88%8E\/6238689.html"} {"headline":"ኣመሪካ: መንግስቲ ኢትዮጵያን ተሳተፍቲ ግጭት ክልል ትግራይ ዝኾኑ አካላትን ኲናት ደው ብምባል እገዳ ከወግዱ ከምዝክእሉ ትገልጽ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ህወሓትን ካልኦት ተዋጋእቲ ሓይልታትን ግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ከብቅዕን ሰብኣዊ ረድኤት ንብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ክበፅሕን መንግስቲ ኣመሪካ ኣተሓሳሲቡ። ግጭት ጠጠው ክሳብ ዘይበለ ቀንዲ ሰበስልጣን ናይ ጉዕዞን ናይ ገንዘብን እገዳ ካብ ኣመሪካ ክገጥሞም እዩ። ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ተሓጋጋዚ ምኽትል ሚንስትር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃን ክልቲአን ሱዳንን ብሪያን ሃንት ትማሊ ሶኑይ ብኦንላይን ኣብ ኣብዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ መንግስቲ ኣመሪካ እቲ ንዓሰርተ ኣዋርሕ ዝተኻየደ ግጭት ክልል ትግራይ ከብቅዕ ይደሊ እዩ ኢሎም። ‘’ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ናብ ሰላማዊ ፍታሕ ዝመፁ እንተኾይኖም: ኣመሪካ ዝደኸመ ቁጠባ ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ድልውቲ እያ’’ ኢሎም። ፕረዚደንት ባይደን ምስ ዝፈረሙዎ ናይ እገዳታት ትእዛዝ ብዝተኣሳሰረ ኣብ ቀፃሊ ብዛዕባ ዝውሰዱ ስጉምትታት ሰበስልጣን ኣመሪካ መብርሂ ሂቦም ኣለው። ናይቲ ግጭት ተሳተፍቲ ኣካላት ናብ ልዝብ ዘይመፁ እንተኾይኖም ዝውሰድ ናይ እገዳታት ስጉምቲ ካብ ኣብ ዝተመረፁ ሰባትን ትካላትን ሓሊፉ ንህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዒላማ ከምዘይገብር ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ተሓጋጋዚ ምኽትል ሚንስትርብሪያን ሃንት ወሲኾም ገሊፆም። ንሶም ወሲኾም ኣሜሪካ ሰብኣውን ካልኦት ሓገዛትን ምሃባ ከም እትቕፅል ተዛሪቦም ኣለው ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%88%B3%E1%89%B0%E1%8D%8D%E1%89%B2-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8A%BE%E1%8A%91-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%8A%A5%E1%8C%88%E1%8B%B3-%E1%8A%A8%E1%8B%88%E1%8C%8D%E1%8B%B1-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%AD%E1%8A%A5%E1%88%89-%E1%89%B5%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%BD\/6238639.html"} {"headline":"ኣብ ሱዳን ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ምክያዱ ተሓቢሩ","content":"ኣብ ሱዳን ፍሹል ዕልዋ መንግስቲ ፈጺሞም ዝተባሃሉ ኣባላት ወትሃደራዊን ፖለቲካዊን መሪሕነት ኣብ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታዎምን ነቶም ካልኦት ጥርጡራት ንምሓዝ ክትትል ይግበር ከምዘሎን መንግስታዊ ወሃቢ ቃል ገሊጹ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8D%88%E1%89%B0%E1%8A%90-%E1%8B%95%E1%88%8D%E1%8B%8B-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8B%AB%E1%8B%B1-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6238610.html"} {"headline":"መንግስቲ ኤርትራ ፕረ. ጆ ባይደን ንዘሕለፎ ናይ እገዳ ውሳነ ብትሪ ተቓዊምዎ","content":"ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብ ልዕሊ ውሱናት ሰባት መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን እገዳ ክግበር ንዘሕለፎ ውሳነ መንግስቲ ኤርትራ ቀዳም 18 መስከረም ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ብትሪ ተቓዊምዎ። \"መንግስቲ ኣመሪካ ነቲ ብቅሉዕ ወራር ዝፈጸመን ኣብ ክልል ትግራይ ንቆልዓ ሰበይቲ ጅሆ ሒዙ ናብ ደልሃመት ዝሸመመ ህወሓት ኣብ ክንዲ ምኹናን ፡ንዑ ንምድሓን ዝኽተሎ ዘሎ ኣካይዳ ‘ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ዘይፍትሓዊ ተግባር ‘ዩ\" ክብል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መግለጺኡ ኮኒንዎ’ሎ። \"እቲ ብኣመሪካን ሰብ ኪዳና ሃገራት ኣውሮጳን ዝሓልፉ ውሳነታትን ዝውሰዱ ስጉምትታትን ናይ ሃገራትን ህዝብታትን ናጻነትን ሉኣውነትን ዝግህስን ብጸቕጢን ጠቐነን ዝተመርኮሱ ብምዃኖም ብርትዕን ሕግን ቅቡል ኣይኮኑን’ ክብል መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ውሳነ ብትሪ ነጺግዎ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8C%86-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%8B%B0%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%88%95%E1%88%88%E1%8D%8E-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A5%E1%8C%88%E1%8B%B3-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%89%A5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8A%E1%88%9D%E1%8B%8E\/6236332.html"} {"headline":"ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ ሊቀ ጳጳሳት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ምስ ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ተዘራሪቦም","content":"ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝነብሩ ሊቀ-ጳጳሳት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያ ምስ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ተዘራሪቦም። እቶም 12 ጳጳሳት ኣብ ጉዳይ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ኣመሪካ ሒዛቶ ዘላ ዝበልዎ መርገጽ ከም ዘሰከፎም ንምግላጽ`ዮም ምስ ሰበ-ስልጣን ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ክራኸቡ ክኢሎም። ካብ ዝኾነ ብሄር ይኹን ሃይማኖት ንጹሓን ዜጋታት ብኸንቱ ዝቕተልሉ ዘስካሕክሕን ጭካነ ዝመልኦን ቅትለታት ኣብ እነውግዘሉ እዋን ድጋፍኩም ክተርእዩና ኢና ደሊና ዝብል መልእኽቲ ዘሕለፉ እቶም ጳጳሳት: ኣመሪካ ነቲ ጭቡጥ ኩነታት ተረዲኣ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ክትሕግዝ ተማሕጽኖም። \"ኣብ ትግራይ ዘለዉ ወገናትና ጸገሞም የተሓሳስበና`ዩ፡ ንጥምየትን ዓጸቦን እናቃልዑ ንደቆም ኣገዲዶም ናብ ኩናት ዝጠብሱ ወገናት ተግባሮም ደው ኣቢሎም ህዝቢ ሰላም ክረክብ ኣለዎ\" ኢሎም ። እቶም ጳጳሳት እቲ ርክብ ከምዝቕጽልዎ`ውን ኣፍሊጦም ኣለዉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A5%E1%88%A9-%E1%88%8A%E1%89%80-%E1%8C%B3%E1%8C%B3%E1%88%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A6%E1%88%AD%E1%89%B6%E1%8B%B6%E1%8A%AD%E1%88%B3%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%89%A4%E1%89%B0-%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/6236163.html"} {"headline":"ንርእሱ ‘’መንግስቲ ትግራይ’’ ኢሉ ዝፅውዕ ኣካል ንትእዛዝ ፕረዚደንት ባይደን ቅኑዕን ዝደንጎየን ኡሉዎ","content":"‘’መንግስቲ ትግራይ ፕሬዝዳንት ባይደን ቅልውላው ሰብኣውነትን ሰብኣዊ መሰላትን ኢትዮጵያ ብዝምልከት ኣብ ልዕሊ ዝተወሰኑ ሰባት እገዳታት ንምንባር ኣፈፃሚ ትእዛዝ ምፍራሞም ብፅኑዕ ይኣምን’’ ክብል ንባዕሉ ናይ ትግራይ መንግስቲ ኢሉ ዝፅውዕ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ኣሸባሪ ኢሉ ብዝፅውዖ ህወሓት ዝምራሕ ምምሕዳር መሊሱ። ንርእሱ መንግስቲ ትግራይ ኢሉ ዝፅውዕ ኣካል ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም 8 መስከረም 2014 ዓ\/ም ኣብ ዘውፅኦ መልሲ ፕሬዝዳንት ባይደን ንዝፈረሙዎ ትእዛዝ ኣብ ዝሃቦ መልሲ እቲ ስጉምቲ ርትዓዊ ኣንፈት እዩ ኢሉዎ ኣሎ።’’መንግስቲ ትግራይ ንቀንዲ ሓሳባት ናይቲ ኣፈፃሚ ትእዛዝ ንምድጋፍን ንምኽባርን ኣብ ውሽጢ ዝተዘርዘሩ ሰለስተ ሸቶታት ንምዕዋትን ናይ ባዕሉ ታራ ንምብርካት ድልዊ እዩ’’ኢሉ። ኣብ እዋን እቲ ግጭት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ወይ ኣብ ካሊእ ህዝቢ ገበናት ፈፂሞም ዝብሃሉ ውልቀሰባት፣ጉጅለታት ወይ ኣካላት ኣብ ምፍላይ ሓላፍነቱ ክዋፃእ እዩ ኢሉ እቲ መግለፂ።’’ምስ ሓይልታት ትግራይ’’ ርክብ ብዘለዎም ውልቀሰባትን ኣካላትን ተፈፂሞም ክኾኑ ዝኽእሉ ጥሕሰታት ብሕቡራት መንግስታት ንዝጣየሽ ነፃ ምርመራ ሓዊሱ ዝካየዱ ኩሎም ኣገደስቲ ምርመራታት ንምድጋፍ ድሉውነትና ደጊምና ንገልፅ’’ይብል እቲ መግለፂ። ‘’መንግስቲ ትግራይ’’ ምምሕዳር ጆ ባይደን፣መንግስቲ ዩናይትድ ስቴትስን ኮንግረስ ዩናይትድ ስቴትስን ብፍላይ ኣብ ትግራይ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ቅልውላው ሰላማዊ ፍታሕ ንምምፃእ ንዘካይዱዎ ቀፃሊን ሃናፅን ፃዕርታት ናእድኡ ንምግላፅ ይደሊ ዝበለ እቲ መግለፂ ብኢትዮጵያ፣ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ኣብ ትግራይ ዝፈፀሙዎም ዝበሎም ጥሕሰታት ብዝምልከት መንግስቲ ዩናይትድ ስቴትስ ንስዎሰዶም ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ምስጋንኡ ይገልፅ ይብል እቲ መግልፂ። መንግስቲ ዩናይትድ ስቴትስ ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ካብ ትግራይ ክወፁን ኣብ ትግራይ ዝካየድ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንምምፃእ ኣብ ልዝብ ዝተመስረተ ቶኽሲ ጠጠው ክብልን ደጋጊሙ ምፅውዑ ከምዝርዳእ ብምዝኽኻር ምስ ካልኦት ዓለምለኸ መሻርኽቲ ብምዃንተፃብኦ ጠጠው ንምባል ልዝብ ክተሳልፍጥ ንዩናይትድ ስቴትስ ንድዕም ኢሉ እቲ መግልፂ። ፕሬዝዳንት ባይደን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካውን ሰብኣውን ቅልውላው ‘’ብዘይተለምደን ልዑልን ኣገባብ ንሃገራዊ ድሕነትን ፖሊሲ ወፃእን ዩናይትድ ስቴትስ ስግኣት እዩ’’ ምባሎም ትኽክል እዩ ይብል እቲ መግለፂ።ኣብ ትግራይ ዝተፈጥረ ቅልውላው ብመንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ እውን ብሓይልታት ኣምሓራን ዝተፈጥረ እዩ ዝበለ እቲ መግለፂ ኣብ ትግራይ ኣንፀላልዩ ዘሎ ሓደገኛ ዘሳክሕክሕ ዓፀቦን ጥምየትን ንሚሊዮናት ሰባት ስግኣት እዩ ኢሉ። ጨካን ከበባ ንምውጋድን ዘይተደረተ ሰብኣዊ ረድኤት ንምስላጥን፣’’ወረርቲ’’ ኢሉ ዝፀውዖም ሓይልታት ክወፁን ኣብ ልዝብ ዝተመስረተ ቶኽሲ ጠጠው ምባል ንምርግጋፅን ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ዝተፈፀሙ ኩሎም ጭካነታትን ብነፃ ኣካል ክፃረይን ፈፅምቲ ናይቶም ገበናት ናብ ሕጊ ክቐርቡን ንዝካየዱ ዓለምለኸ ፃዕርታት ምሉእ ደገፍና ደጊምና ነረጋግፅ ኢሉ ኣሎ እቲ መግለፂ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/the-tigray--government-is-ready-to-support-and-be-abided-by-the-jeo-biden--executive-order-said-the-tplf-lead-regional-adminstration\/6236133.html"} {"headline":"ቃለ-ምልልስ ምስ ምሁር ጋዜጠኝነትን መራኸቢታትን ዶ\/ር ዮናታን ጽገ","content":"ቅድሚ ዕስራ ዓመት፡ 18 መስከረም፡ ጋዜጣታት ብሕቲ ኣብ ኤርትራ ዝተዓጽዋሉ እዋን ብዝምልከት ምሁር ጋዜጠኝነትን መራኸቢታትን ዶክተር ዮናታን ጽገ ኣብ ኤርትራ ኣብ ክፍሊ ጋዜጠኘነት ዝምህር ዝነበረ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ክፍሊ መራኸቢታት ናይ ፐን ስተት ዩኒቨርስቲ ተሓጋጋዚ ፕሮፈሰር’ዩ። ምስ ዕስራ ዓመት ምዕጻው ናጻ ፕረስ ኣምልኪቱ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘሎ ክፍተት ሓበሬታ ሞያዊ ተመኩሮ ከካፍል’ዩ። ብተወሳኺ ብወገን ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት ኣብ ምፍታሕ እዞም እሱራት ጋዜጠኛታት ዝገብሮ ጻዕሪን ሃለዋቶምን ከምኡ’ውን ግብረ-መልሲ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ክርኢ’ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%88%8D%E1%88%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%9D%E1%88%81%E1%88%AD-%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9D%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%8A%B8%E1%89%A2%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%B6%E1%8A%AD%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8B%AE%E1%8A%93%E1%89%B3%E1%8A%95-%E1%8C%BD%E1%8C%88\/6235783.html"} {"headline":"ቃለ-ምልልስ ምስ ጋዜጠኛ ነበር ሃብተኣብ የማነ","content":"ቅድሚ ዕስራ ዓመት፡ 18 መስከረም፡ ጋዜጣታት ብሕቲ ኣብ ኤርትራ ዝተዓጽዋሉ እዋን’ዩ። ጋዜጠኛን ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነበርን ሃብተኣብ የማነ፡ ሓደ ካብቶም መስረትቲ ጋዜጣ ቀስተ-ደበና ኰይኑ፡ ኣብ መንጎ ግን ብትምህርቲ ንወጻኢ ምስ ከደ ኣብ ኣጋ-ምዕጻው እተን ጋዜጣታት’ዩ ተመሊሱ። ሃብተኣብ ፈለማ ከም ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንሓሙሽተ ዓመት፡ ክሳብ ካብታ ሃገር ዝወጸሉ 2016 ድማ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናይ መጨረሽታ ይግባይ ሰማዒ’ዩ ነይሩ። ሃብተኣብ ኣብ ክፍሊ ሕጊ ኮለጅ ጥበባት’ውን መምህር ነይሩ’ዩ። ሕጂ ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ዘሎ ሃብተኣብ፡ ንተስፋታትን ኣመታትን ብሕታውያን ጋዜጣታት ከምኡ’ውን ዳሕራይ ኣብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ዝነበሮ ተመኵሮ ኣተኣሳሲሩ’ዩ ተሓቲቱ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%88%8D%E1%88%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%88%83%E1%89%A5%E1%89%B0%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%A8%E1%88%9B%E1%8A%90\/6235769.html"} {"headline":"ነበርቲ ወረዳ ጉሎ መኸዳ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ኲናት ጥምየት ከምዘጋጠሞም ገሊጾም","content":"ምስ ኤርትራ ዘዋስን ወረዳ ጉሎ መኸዳ ዞባ ምብራቕ ክልል ትግራይ፡ ብሰንኪ ኩናት ጥምየት ከምዘጋጠሞ፡ ንድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ገሊጾም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝሓሸ ሰላም ሰፊኑ፡ ሕርሻ`ውን ከሳልጡ ከምዝጀመሩ`ውን እቶም ነበርቲ ይገልጹ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B3-%E1%8C%89%E1%88%8E-%E1%88%98%E1%8A%B8%E1%8B%B3-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8C%A5%E1%88%9D%E1%8B%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%9E%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/6233333.html"} {"headline":"ፕረ.ባይደን ኣብ ግጭት ክልል ትግራይ ንዝተሳተፉ ዝበልዎም አካላት እገዳ ዘንብር ትእዛዝ ሂቦም","content":"ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ሚንስትሪ ገንዘብ ኣመሪካ ኣብ ኩሎም ኣብ ግጭት ክልል ትግራይ ኢትዮጵያ ንዝተሳተፉ አካላት እገዳ ዘንብር ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ሂቦም:: ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭት ‘’ክናዋሕ ምኽኒያት ዝኾኑ ተሓተቲን ተሓባበርቶምን ሓዱሽ እገዳ ንምንባር ዘኽእል’’ ዝበሉዎ ትእዛዝ ሎሚ ዓርቢ ፈሪሞም ኣለው። እቲ ትእዛዝ \"ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን መንግስታት ከምኡ'ውን ህወሓትን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ተሓተቲ’’ ክገብር ንናይ ኣመሪካ ሚንስትሪ ገንዘብ ዘድሊ ዝበሉዎ ስልጣን ዝህብ ከምዝኾነ እቶም ፕረዚደንት ኣፍሊጦም። እቲ ዋይት ሃውስ ሎሚ ወግዓዊ ዝገበሮ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ: እቶም ፕረዚደንት ነዚ ትእዛዝ ዝሃቡ ብመሰረት ሕገ መንግስቲን ሕግታትን ኣመሪካ: ብመሰረት ኣዋጅ ዓለምለኸ ህጹጽ ስልጣን ኢኮኖሚ (IEEPA): ሃገራዊ ህጹጽ ኣዋጅ (NEA): ናይ 1952 ኣዋጅ ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ምኻኑ ገሊጹ ሎ። ኣብቲ ትእዛዝ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኩነታት ሰሜን ኢትዮጵያ ንሰላም ጸጥታን ምርግጋእን ኢትዮጵያን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብዘስግእ ምንቅስቃሳት ዝልለ ኾይኑ'ሎ ብፍላይ ዝሰፍሓ ህውከት: ግፍዕታትን ዓሌት መሰረት ዝገበረ ምግሃሰ ሰብኣዊ መሰላትን ጾታዊ ዓመጽ ካልኦት መልክዓት ጾታ መሰረት ዝገበረ ህውከትን ምትዕንቃፍ ሰርሓት ሰብኣዊ ረድኤት ኾይኑ ዘይዝውትሩን ንበይኑ ዝዓይነቱ ስግኣት ሃገራዊ ጸጥታን ፖሊሲ ጉዳያት ወጻ ኢ ኣመሪካ ኾይኑ'ሎ፤ ስለዚ ህጹጽ ፕረዚደንታዊ ኣዋጅ የሕልፍ ኣለኹ ኢሎም። እቲ በቲ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዘሎ ህውከት ሓዘል ሰፊሕ ሰብኣዊ ቅልውላው ንሚልዮናት ሰባት ተጸበይቲ ሰብኣዊ ረድኤት ዝገበረን ሙሉእ ክልል ኣብ ድርኩኺት ዓጸቦ ዘእተወን'ዩ ኢሎም'ለዉ። ኣብ ልዕሊ'ቶም ነዚ ቅልውላው'ዚ ተሓተቲ ዝኾኑ ቀጻሊ ጸቅጢ'ዉን ኣሜሪካ ገደብ ንዘይተገብረሎም ካብ ሰባት ዝለኣኽ ገንዘብ ናብ ሰባት ክበጽሕ ነቲ ኣብ ሓደጋ ዘሎ ህዝብን ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዓቢኡን መንግስታትን ዓለምለኸ ትካላትን ዘይመንግስታዊያን ትካላትን ሓዊሱ ብሕጋውን ግልጽን መስመራት ሰብኣዊ ረድኤት ምውሓዙ ከተረጋግጽ ትደሊ ኢሎም። ኣሜሪካ ነዚ ቅልውላው ልዝብ ዝተገብረ ምቁራጽ ተጻብኦን ፖለቲካዊ ፍታሕን ንምግባርን ሓይልታት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ምውጽኦም ግዝኣታዊ ሓድነትን ምርግ ጋእን ኢትዮጵያ ንምርግጋጽ ዝግበር ዘሎ ዓለምለኸ ጻዕርታት ትድግፍ ዝበሉ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብቲ ዝሃብዎ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ሚኒስተር ገንዘብ ኣሜሪካ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ብምምኽኻር ማዕቀባት ክገብር ሰልጣን ዝሃበ'ዩ ። ኣብቲ ትእዛዝ ተዘርዝሩ ካብ ዘሎ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስግኣት ጸጥታ ዘይምርግጋእን ዝተወስነ እቲ ቅልውላው ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክሰፍሕ ምቁራጽ ተጻብኦ ወይ ከይዲ ሰላም ዘተዓናቀፈን ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታ ሰብኣዊ ረድኤትን ሰብኣዊ ፕሮጀክታትን መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰላማውያን ሰባት ዒላም ዝገበረ ዝጨወየ ኣገዲዱ ዘመዛበለ ኣብያተ ትምህርቲ ሆስፒታላት ትካላት ሃይማኖት ሰላማውያን ሰባት ዝተዓቁቡሉ ዘጥቅዔ ንዓለምለኸ ሕጊ ዝጠሓሰ እዩ ዝብል ይርከቦ። ሚኒስትሪ ገንዘብ ምስ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ድሕሪ ምምኽኻር ኣብዞም ተግባራት ከም ዝተኻፈለ ኣብ ልዕሊ ዝተፈልጠ ሓደ ወጻእተኛ ሰብ ወይ ከኣ ኣካላት ሚኒስትሪ ገንዘብ ኣሜሪካ ብመሰረት እቶም ተዘርዚሮም ዘለዉ ሕግታት ማዕቀባት ክገብር ስልጣን ተዋሂብዎ'ሎ። ኣብቲ ዝተዋህበ ትእዛዝ ሰባት መንግስታት ኣካላትን ጉጅለታትን ነቲ ኣብቲ ሕግታት ኣሜሪካ ተዘርዚሩ ዘሎ ዝጠሐሱንንዓኣቶም ወኪሉ ዝሰርሕ'ወን ዘጠቃልል ዩ። ብኻልእ ወገን ፕረዚደንት ባይደን ነቲ ትእዛዝ ወግዓዊ ምስገበሩ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዘውፅእዎ ንፕረዚደንት ባይደን ይብፃሕ ኣብ ዝበሉዎን ግልፂ ደብዳበ \" ናይ ኣመሪካ ተኸታታሊ ምምሕዳራት ኣብ ኢትዮጵያ ዝሓዙዎም ዝተዛብዐ ኣመለኻኽታ\" ዝበሉዎም ቅሬታ ዝሓዘ መልእኽቲ ኣሕሊፎም። \"ኢትዮጵያ ካብ ድሕነት ሚሊዮናት ስልጣን ክጥቕልሉ ብዝመረፁ ዝኾረዩ ሰባት ዝተዋደደ ተፅዕኖ ንዘስዕቦም መዘዛት ኣይትንብርከኽን’’ኢሎም።ካብ መንግስቲ ኤርትራን ህወሓትን ክሳብ ሕጂ መልሲ ኣይተውሃበን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%8B%B0%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%B3%E1%89%B0%E1%8D%89-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%8D%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A5%E1%8C%88%E1%8B%B3-%E1%8B%98%E1%8A%95%E1%89%A5%E1%88%AD-%E1%89%B5%E1%8A%A5%E1%8B%9B%E1%8B%9D-%E1%88%82%E1%89%A6%E1%88%9D\/6233176.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ናብ ክልል ትግራይ ረድኤት ጽዒነን ዝኣተዋ መካይን ከምዘይተመልሳ ሓቢሩ","content":"ሕቡራት ሃገራት ብኣማኢት ዝቑጸራ ናብ ክልል ትግራይ ዝኣተዋ ረድኤት ዝጸዓና መካይን ከምዘይተመለሳን እዚ ድማ ሰብኣዊ ረድኤት ምቕራብን ክብ ንምባልን ቀንዲ ዕንቅፋት ከምዝኾነን ገሊፁ። ወሃቢ ቃል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ገማ ስነውደን ካብ 12 ሓምለ 2021 ጀሚሩ ኮንትራት ዝነበረን ናይ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዘይኮና 445 ናይ ፅዕነት መካይን ናብ ክልል ትግራይ እንተኣተዋ'ውን 38 ጥራሕ ምምላሰን ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ተዛሪቦም። \"ኣብዚ ሕጂ እዋን እዚ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ንምእታው ቀንዲ ዕንቅፋት እዩ። ብሰንኪ ሕፅረት ናይ ፅዕነት መካይን ብዝሒ ዘለዎ ኮንቨይ ክነተኣኻኽብ ይክኣልናን’’ኢሎም። ንሶም ወሲኾም እተን መካይን ክምለሳ ምስ ኣጎዓዝትን ከባቢያዊ ሰበስልጣን ክልል ትግራይን ምስራሕ ክንቕፅል ኢና እውን ኢሎም። ወሃቢ ቃል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ገማ ስነውደን እዘን መካይን ኣበይ ከምዘለዋን ንምንታይ ጥቕሚ ይውዕላ ከምዘለዋን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሓበሬታ የብሉን ኢሎም ። ሰበስልጣን መንግስትን ተዋጋእት ክልል ትግራይን ረድኤት ናብ ትግራይ ከይኣትው ብምዕንቃፍ ነንሕድሕዶ ይካሰሱ። ወሃቢ ቃል መንግስቲ ‘'ህወሓት ንናይ ባዕሉ ሎጂስቲክስ ሒዙወን ዝብል ጥርጣረ’’ ብምጥቓስ ትማሊ ሓሙስ ብትዊተር መልእኽቲ ዘርጊሑ።ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዘወርቲ መካይን ናብ ክልል ትግራይ ከይኣትው ዘጋጥሞም ዕንቅፋት ብምጥቓስ ምስ ሰበስልጣን ክልል ትግራይ ዘራኽብ የብሉን ኢሎም። መራሕቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት መካይን ብዛዕባ ሕፀረት ነዳዲ፣ ናይ ፀጥታ ስግኣት፣ ኣብ መፈተሺ ኑቑጣ ዘሎ ምክልባት፣ ኣብ ክልል ዓፋር ንኣዋርሕ ኮፍ ምባልን ዝብሉ መረረ ኣስሚዖም እዮም ኢሎም ። ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ኣብ ክልል ትግራይ በዓል ስልጣን ሰብኣዊ ረድኤት መብዛሕቲኦም ዘወርቲ ተጋሩ ምዃኖምን ናብቲ ክልል ክኣትው ከለው ኣብ መፈተሺ ኑቕጣታት መንነት መሰረት ዝገበረ ምክልባት የጋጥሞም እዩ ኢሉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%88%9B%E1%8A%A2%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%91%E1%8C%B8%E1%88%A9-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%A8%E1%8B%B5%E1%8A%A4%E1%89%B5-%E1%8C%BD%E1%8B%92%E1%8A%90%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%8B%8B-%E1%88%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B3-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6233141.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን 1.7 ሚልዮን ውሕስነት መግቢ ዘይብሎም ሰባት ከምዘለው ገሊጹ","content":"እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝጀመረ ውግእ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ድሕሪ ምልሓኹ፣ ንጠለብ ሰብኣዊ ረድኤት ዝያዳ ኸም ዜዛየዶ፣ ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ዮሪክ ትማሊ ገሊጹ። ኣብ ክልቲኡ ክልላት ልዕሊ 1.7 ሚልዮን ሰባት ናይ መግቢ ውሕስነት ከምዘይብሎም ወሲኾም ሓቢሮም። ኣብ ክልል ዓፋር ልዕሊ 140,000 ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም፣ ልዕሊ 233,000 ሰባት ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ ናብ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ተመዛቢሎም እዮም። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ካብ 5 ክሳዕ 7 መስከረም ኣብ ዘሎ ጊዜ፣ 147 ረድኤት ዝጻዓና ዓበይቲ መካይን ናብ ክልል ትግራይ ከምዝኣተዋ፣ ካብ 22 ነሓሰ ክሳብ 5 መስከረም አብ ዝነበረ ጊዜ ግና ናብ ክልል ትግራይ ክኣትዋ ከምዘይካኣላ ሕቡራት ሃገራት ጠቂሱ። ሕቡራት ሃገራት እዚ ምዕባለ እዚ ባህ ዜብል እኳ እንተዀነ መግብን ነዳድን ዝጻዓና 100 ዓበይቲ መካይን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናብ ክልል ትግራይ ክኣትዋ ከምዝግባእ ሎሚ’ውን ምዝኽኻር አገዳሲ እዩ ይብል ። ብካልእ ምዕባለ ይብል ሕ\/ሃ፣ ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ፈላማይ ነፈርቲ ትካላት ግብረ - ሰናይ፣ 7 ሜትሪክቶን ሃነጽቲ መግቢ ሒዘን ብ11 መስከረም ናብ ክልል ትግራይ ከምዝኣተዋ ተፈሊጡ። ካብ አዲስ አበባ ንመቀለ ዝበራ ናይ ሕ. ሃ. ነፈርቲ ከምቲ ዝተመደበለን፣ ክሳብ ሎሚ ኣብ ሰሙን ክልተ ጊዜ በረራታት ካብ ምግባር ኣየቋረጻን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB%E1%8A%95-1-7-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8B%8D%E1%88%95%E1%88%B5%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6231504.html"} {"headline":"ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊያን ስደተኛታትኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈፀሙ መጥቓዕትታት 'ገበናት ኵናት'እዩ ተባሂሉ","content":"ሁማን ራይትስ ዎች ዝተባህለ ዓለምለኸ ተሓላቒ መሰላት ወታሃደራት ኤርትራን ተዋጋእቲ ክልል ትግራይን ኣብ ክልተ መዕቖቢ ስደተኛታት ዝነበሮም ዝርዝር ታራ ዝምልከት ሓዱሽ ፀብፃብ ኣውፂኡ። ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ብዝመደብሩ ዓለምለኸ ተሓላቒ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎችዝወፀ ሓዱሽ ሪፖርት ወታደራት ኤርትራን ተዋጋእቲ ትግራይን ኣብ ክልተ መዕቖቢ ስደተኛታት ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ምምላስን ሰፊሕ ዕንወት ምውራዶምን ሓቢሩ ኣሎ። ‘’ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ዝተፈፀመ ኣሰቃቒ ቕትለታት፣ፆታዊ ዓመፅን ስርቅን ብንፁር: ገበናት ኵናት እዩ’’ ኢላ ኣብ ሁማን ራይትስ ዎች ዳይረክተር ቀርኒ ኣፍሪካ ላቲሻ ባደር።’’ትግራይ ካብ መግሃስቲ ንዝሃድሙ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ንዓመታት ገነት እያ ነይራ፤ሊሚ ግን ብዙሓት ድሕነት ኣይስምዖምን’’ኢላ ብምውሳኽ። ኣብ ሕዳር ኵናት ቅድሚ ምውልዑ ትግራይ ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ሕፃፅን ሽመልባን ዘዕቖቡ 19,200 ሰባት ሓዊሱ መንበሪ 92,000 ኤርትራዊያን ስደተኛታት ነይራ ብመሰረት ናይ ኢትዮጵያ ኤጀንሲ ጉዳያት ስደተኛታትን ተመለስትን። ዋላኳ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቐተለ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ኣ\\ፈ ኵናት እንተተኻየደ እውን ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ናይ ኖቤል ሽልማት ዘርከበሎም ምስ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምቅርራብ ኣበጊሶም።ኣስመራ ኣብ ትግራይ ወታደራዊ ሓገዝ ገይራ። እቲ ግጭት ምስ ጀመረ ድሕሪ ክልተ ሰሙናት ሓይልታት ኤርትራን ትግራይን መጀመሪያ ኣብ ጥቓ ሕፃፅ ተዋጊኦም። Human Rights Watch ወታደራት ኤርትራ ኣብ ሕፃፅ ን31 ሰባት ከምዝቐተሉን እቲ ትኽክለኛ ቁፅሪ ‘’ካብኡ ኣዚዩ ዝለዓለ ክኸውን’’ ከምዝኽል ‘’እሙን ፀብፃባት’’ በፂሑና ኣሎ ክብል ትማሊ ሓሙስ ገሊፁ።AFP ቅድም ክብል እቲ ውግእ ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ከመይ ከምበፅሐ፣ደገፍቲ ህወሓት ብሒነ ቕትለት ንቶም ስደተኛታት ዒላማ ብምግባር ኣብ ጥቓ ቤተ ክርስቲያን ንትሽዓተ ደቂ ተባዕቲዮ መናእሰይ ቀቲሎም ክብል ፀብፂቡ እዩ። ኤርትራዊያን ወታደራት ነቲ መዕቖቢ ስደተኛታት ምስ ተቖፃፀሩዎ 17 ቑስላት ስደተኛታት ንሕክምና ናብ ኤርትራ ከምዝወሰዱዎም ይእመን ይብል ፀብፃብ Human Rights Watch።እንተኾነ ግን ‘’ኣባላት ኮሚቴ ስደተኛታትን ኣባላት ተቓወምትን ተገይሮም ዝርኣዩን ኮላይ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ሓዊሱ ካብ 20 ክሳብ 30 ዝተኣሰሩ ደሚርካ መብዛሕቲኦም ካብቲ መዕቖቢ ዝወፁ ሰባት ኣበይ ከምዘለው ኣይፍለጥን’'ይብል።ሓይልታት ትግራይ ነቲ ከባቢ ኣብ መጀመሪያ ታሕሳስ ምስተቖፃፀሩዎ ብስርቂ፣ምእሳር፣ምዕማፅን ብምጥቓዕን ንዓሰርተታት ሰባት ቆቲሎም ይብል እቲ ዓለምለኸ ተሓላቒ መሰላት።ድሕሪ ክልተ ሰሙናት ዝተመለሱ ሓይልታት ኤርትራ ሰባት ካብቶም መዕቖቢ ስደተኛት ብሓይሊ ንክወፁ ኣገዲዶምዎም፤ቅሩብ ፅንሕ ኢሉ ሕፃፅ ብዝዓበየ ክፋሉ ምዕናው ናይ ሳተላይት ምስልታት የርኢ ይብል እቲ ተሓላቒ መሰላት ወሲኹ። ዝጠፍኡ ስደተኛታት ኣብ ሕፃፅን ሽመላባን ዝነበሩ ኣሽሓት ስደተኛታት ኣበይ ከምዘለው ኣይፍለጥን።ናብ ኤርትራ ካብ ምምላ ካሊእ መማረፂ ዘይነበሮም ኣማእቲ ድማ ሁማን ራይትስ ዎች ብኣስገዳድ ዝተመለሱ ኢሉ ዝገለፆ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም። ካልኦት ድማ ኣብ ሓምለ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ህወሓት ናብ ዝኾኑ ክልተ ካምፕታት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓርሽን ኣትዮም።ናይ ኢትዮጵያ ኤጀንሲ ጉዳያት ስደተኛታትን ተመለስትን ህወሓት ኣብ ክልቲኦም ካምፕታት ከቢድ ኣፅዋር ኣእቲዩ፣ንመካይንን መኽዘናትን ወሪሩ ስደተኛታት ክይወፁ ከልኪሉ ‘'መጭወይቲ ዝመስል ኩነታት’’ ፈጢሩ ክብል ይኸስስ።ህወሓት ንከምዚኦም ዝበሉ ክስታት ብምንፃግ ናይቶም ስደተኛታት ሓለዋ ንምርግጋፅ ቃል ኣትዩ እዩ። ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ስደተኛታት ናብ ክልል ኣምሓራ ንምግዓዝ ንምስላጥ እናፈተኑ እዮም።ህወሓት ኣብ ሓምለ ኣብ ክልል ኣምሓራ መጥቓዕቲ ብምፍናው እቲ ክልል ብናይ ቀረባ ውግኣት ተሃሲዩ እዩ።ኣብቲ ግጭት ይሳተፉ ዘለው ኩሎም ወገናት ናይ ስደተኛታት ናይ ምንቅስቓስ መሰሎምን ረድኤት ክባፃሕን ከረጋግፁ ኣለዎም ክብል ሁማን ራይትስ ዎች ትማሊ ሓሙስ ፀዊዑ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8D%80%E1%88%99-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%B5%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%A5%E1%8B%A9-%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%82%E1%88%89\/6231452.html"} {"headline":"ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ\/ሃ ንጉዳይ ግድብ ህዳሴ ዝምልከት ውሳነ ኣሕሊፉ","content":"ትማሊ ረቡዕ ኣኼብኡ ዘሰላሰለ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ አብ ልዕሊ ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ተማኺሩ ውሳነ ከምዘሕለፈ ተፈሊጡ። ብመሰረት’ዚ፣ ነቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን ንዝተበጽሐ ስምምዕነት ኣፍልጦ ከምዝሃበ’፣ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምወል ሽምግልና ከምዝዝክር፣ ሰለስቲኤን ሃገራት፣ ብኣቦ መንበርነት ሕብረት ኣፍሪቃ ናብ ዝካየድ ልዝብ ንክምለሳን ንክዛዝማን ጸዊዑ። እቲ ቤት ምኽሪ ናብ ተዓዘብቲ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፣ ሰለስቲኤን ሃገራት ተሓባቢረን ዕድመ ከቅርባ ከምዝኽእላ፣ ቴክኒካዊን ሕጋዊን ጉዳያት ንምፍታሕ ኣብ ዝገብረኦ ልዝብ ሓገዝቲ ንክኾኑ ኣተባቢዑ። ሰለስቲኤን ሃገራት፣ ንኣፍሪቃ ትመርሖ ልዝብ፣ ብሃናጻይን ምትሕብባር መንፈስን ንክጥምተኦ፣ እዚ ትማሊ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ መትከልን ንምስሕሓብ ዶብ ሰገር ወሓዝቲን ዝወጹ መምርሒታት ዝጻባእ ከምዘይኮነ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ዘሕለፎ ውሳነ፣ ምስ መርገጺ ኢትዮጵያ ከምዝሰማማዕ፣ እንተኾነ ኢትዮጵያ ዘግድድ ውሳነ ከምዘይትቅበል ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ኢትዮጵያ አምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊጾም። እቶም ኣምባሳደር ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ \"ቤት ምኽሪ ጸጥታ ዝዝትየሎም ዛዕባታት ንዓበይቲን ዓለምለኻዊ ስግኣት ዓለምን እዮም፣ እዚ ትማሊ ዝዘተየሉ ግና ኣብ’ዚ ዝሕቆፍ ኣይኮነን\" ኢሎም። ኣምባሳደር ዲና \"ቱኒስያ ነዚ አጀንዳ’ዚ ክተቅርቦ ኣይምተገበአን። ኣስገዳዲ ኢልካ ውሳነ’ውን ኣይንቅበልን\" ከምዝበሉ ሪፖርት ኬኔዲ ኣባተ ገሊጹ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%8A%E1%8D%89\/6231467.html"} {"headline":"ሓላፊ ኮሚሽን ሰ\/መ ኢትዮጵያ ተዓዋቲ ሽልማት ሰብኣዊ መሰላት ጀርመን ኣፍሪቃ 2021 ኮይኑ","content":"ሓላፊ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶ\/ር ዳንኤል በቀለ፣ ሙሉእ ዕድመ ንሰብኣዊ መሰላት ስለዝተጣበቀ ተባሂሉ፣ ተዓዋቲ ሽልማት ሰብኣዊ መሰላት ጀርመን ኣፍሪቃ 2021 ምዃኑ ተፈሊጡ። 24 ጋዜጠኛታት፣ ፖለቲካዊ ፋውንዴሽንን ፖለቲከኛታትን ዝሓቆፈ ትካል ጀርመን ኣፍሪቃ ዝህቦ ሽልማት ንዝሓለፉ 25 ዓመታት፣ ኣብ ኣፍሪቃ ንውሩያት ውልቀ ሰባት ዝዋሃብ ፍሉይ ሽልማት ጀርመን እዩ። እዚ ሽልማት’ዚ ዝሓለፈ ዓመት ንሶማልያዊ ተሓላቂ መሰል ኢልዋድ ኢልማን ከምዝተዋሃበ ይዝከር። ዶ\/ር ዳንኤል በቀለ ኣብ መበል 23 ዓመት ዕድመ በዓል ሞያ ሕጊ ኮይኑ ኣብ አዲስ አበባ ስርሑ ከምዝጀመረ፣ ከምኡውን ንዘይመንግስታዊ ትካል ኪኢላ ዴሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን ኣማኻሪ ከምዝነበረ ካብ ዝወጸ ጽሑፍ ንምፍላጥ ይካኣል። ዶ\/ር ዳንኤል በቀለ፣ ኣብ 2005 ዓ.ም ኣብ ዝተካየደ ምርጫ ተዓዛቢ ኮይኑ ከምዝሰርሐ፣ ንጽፉፍነት እቲ ምርጫ ድሕሪ ምንቃፉ ግና ብሓይልታት ጸጥታ መጥቃዕቲ ከምዘጋጠሞን ከምዝተኣሰረን፣ ንመንግስቲ ንምዕላው ፈቲንካ ተባሂሉ ተኸሲሱን ተኣሲሩን ከምዝነበረ’ውን ዝዝከር’ዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8A-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0-%E1%88%98-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%8B%E1%89%B2-%E1%88%BD%E1%88%8D%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8C%80%E1%88%AD%E1%88%98%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-2021-%E1%8A%AE%E1%8B%AD%E1%8A%91\/6230123.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ኣብ ወረዳ ዳባት ብሰንኪ ኲናት ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ ህጹጽ ሓገዝ ክረኽቡ ይምሕጸኑ","content":"ኣብ ሰሜን ጎንደር ወረዳ ዳባት ብኹናት ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ ነበርቲ ህጹጽ ረድኤት ክግበረሎም ይምሕጸኑ`ለዉ። ህወሓት ኣብ ቀበሌና መጽዩ ካብ ዝፈጸሞ ቅትለት ብኣጋጣሚ ድሒንና ዝብሉ ነበርቲ ኣብ ጸገም ሕጽረት መግቢ ከምዘለዉ ይገልጹ። ነበርቲ ዕጡቓት ሕወሓት ኣብታ ቀበሌ ኣብ ዝጸንሕሉ ሓሙሽተ መዓልታት ንንጹሃን ሰባት ገዛ ገዛ እናኣተዉ ቀቲሎም`ዮም ይብሉ ። ጭና ተክለሃይማኖት ኣብ ዝተባህለት ቀበሌ፡ ዕጡቓት ህወሓት ልዕሊ 200 ሰለማውያን ሰባት ምቕታሎም ሰበ-ስልጣን`ቲ ከባብን ግዳያትን ምግላጾም ቅድሚ ሎሚ ዝተሓበረ ክኸውን ከሎ፡ ወሃቢ ቃል ህወሓት ብወገኑ፡ ነቲ ክሲ ብምንጻግ ብናጻ ወገን ክጻረ ምጽውዑ ይፍለጥ። ኣብ ሰሜን ጎንደር ኣመሓዳሪ ንኡስ ወረዳ ዳባት ወቅል ኣቶ ካሳ መሸሻ፡ ኣብ ጭና ቀበሌ ከቢድ ሰብኣዊ ሓደጋ ምውራዱን፡ዝተፈናቐለ ሰብ ናብ ቦትኡ ንክምለስ`ውን ጸጊምዎ ከምዘሎን ድሕሪ ምጥቃስ ሰብኣዊ ረድኤት ንህብ ኢና ዝብሉ ትካላት ነቲ ህዝቢ ክበጽሕሉ ይግባእ ኢሉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B3-%E1%8B%B3%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%88%AA%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%88%85%E1%8C%B9%E1%8C%BD-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%AD%E1%88%A8%E1%8A%BD%E1%89%A1-%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8C%B8%E1%8A%91\/6226116.html"} {"headline":"ተቃውሞ ዳያስፖራ ተጋሩ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት","content":"ኣብ ዝተፈላለያ ዓበይቲ ከተማታት ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይን ደገፍቶምን፣ ዝሓለፈ ረቡዕ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ሒዞም ድምጺ ተቃውሞ ከምዘቃልሑ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ ብሰንኪ ቴክኒካዊ ጸገም አብ ጊዜኡ ክነቅርበልኩም ዘይምኽኣልና ይቅሬታ ንሓትት። እቲ ሰልፊ ኣብ 15 ከተማታት ዩናይትድ ስቴትስ፣ ካናዳ፣ አውሮጳ፣ እስራኤልን ኣውስትራልያን እዩ ተካይዱ። ምክትል ፕረዚደንት ድሕነትን ፍትሕን ህዝቢ ትግራይ ዝተባሃለ ውዳበ ዶ\/ር ሙሉጌታ ገ\/ሄር ‘መንግስቲ ቱርኪ አብ’ዚ ቀረባ እዋን ሰብ አልቦ ነፈርቲ ንኢትዮጵያ ንክሸጥ ዘኽእል ውዕል ገይሩ ዝብል መረዳእታ ስለዝበጽሓና፣ ንምጽናት ህዝቢ ትግራይ ዝውዕል ኩናት ዘጓሃህር እዩ ዝብል ገምጋም አለና ይብል። ‘ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣሜሪካ’ እውን ናይ ድጋፍ መግለጺ ዘርጊሑ ኣሎ። ርክብ ህዝቢ ‘ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣሜሪካ ኣቶ ኢሳያስ ተወለ ብወገኑ ‘አብ ዝተፈላለየ ህዝቢ ትግራይ ዝወደቦ ሰልፊታት ክንካፈልን መግለጺታት ክነውጽእን ጸኒሕና ኢና። ንዓና ሓድሽ ኣይኮነን’ ይብል። እቶም ሰልፈኛታት፣ ዕላማ’ቲ ሰልፊ ‘መንግስቲ ቱርኪ ‘ኣባል ሃገራት ኔቶ (ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ) ኣብ ሕጉ ዓንቀጽ 2 ‘ኩለን ኣባል ሃገራት፣ ብደረጃ ዓለም፣ ሰላማዊን ምሕዝነታዊ ርክብን ንክፍጠር ይሰርሓ’ ንዝብል መትከል ብምጥሓስ ንኢትዮጵያ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ንክትሸጠላ ተዋዓዒላ ኣላ’ ይብሉ። ኣብ ዘረባና ‘ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከብ ኤምባሲ ቱርክ ግብረ መልሲ ንክህበሉ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ኣይተዓወተን፣ ቪኦኤ ብወገኑ ‘ቱርኪ ንኢትዮጵያ ድሮን ንክተቅርበላ ተሰማሚዓ እንተኾይና ካብ ሳልሳይ ወገን ከረጋግጽ ኣይካኣለን። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopian-tegaru-diaspora-demonstration-against-turkey-and-government-of-ethiopia-and-eritrea-\/6225007.html"} {"headline":"ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ኣስታት 30 ሰባት ብዕጡቓት ህወሓት ምቕታሎም ነበርቲን ኣመሓደርትን ገሊጾም","content":"መንግስቲ ኣሸባሪ ዝብሎን ንገዛእ ርእሱ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ እናበለ ዝፅውዕን ኣካል ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ወሎ ከባቢ ወረባቦ ካብ 24 ነሓሰ ክሳብ መወዳእታ ነሓሰ ኣብ ዘሎ እዋን ወታሃደራዊ መጥቓዕቲ ምፍፃሙን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣስታት 30 ስቪላት ብዕጡቓት ህወሓት ከምዝተቐተሉን ኣብቲ ከባቢ ንዝተረኽቡ መራኸቢ ብዙሃን ዝገለፁ ነበርቲን ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢን ሓቢሮም። ዝለዓለ ጉድኣትን ሞትን ኣተኣናጊዱ ዝተባህለ ጣቢያ 018 ነባሪት ምዃነን ዝገለፃ ጦይባ መሓመድ ነቲ ከባቢ ተቖፃፂሩ ዝነበረ ናይ ህወሓት ሓይሊ ንናይ 22 ዓመት ብዓል ቤተን ቀቲሎምዎ ኢለን።ካልኦት እውን ብተመሳሳሊ ኣባላት ስድርኦም ከምዝተቐተሉገሊፆም ኣለው። ናይቲ ጣቢያ ኣመሓዳሪ ሰይድ መሓመድ ልዕሊ 14 ሰባት ከምዝተቐተሉን ዝቖሰሉን ተዓፊኖም ዝተወስዱን ከምዘለው ሓቢሮም። ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ካሊድ መሓመድ እውን ኣሸባሪ ኢሎም ዝፀውዕዎ ኣካል ንናይቲ ወረዳ ሽዱሽተ ጣቢያታት ወሪሩ ክብሉ ኮኒኖም። ብዛዕባ'ዚ ዝተውሃበ መልሲ እንተተዘይሃለወ 'ውን ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ቅድሚ ሎሚ ንዝቐረቡ ክስታት ብምንፃግ ተፈፂሙ ዝብሃል ገበን ብነፃ ኣካል ክፃረ ብቲዊተር ኣብ ዝዘርግሕዎ መልሲ ገሊፆም።ብሰንኪ ፀጥታ ናብቲ ከባቢ ዘይተጉዓዘን ኢንተርኔትን ስልኪ ስለዘየለ ተወሳኺ ሓበሬታ ክረክብ ዘይክኣለን ኣብቲ ከባቢ ንዝተረኸቡ ጋዜጠኛታት ዝተውሃበ ድምፂን እሙናት ካብ ዝኾኑ ምጭታትን ከምዝረኸበ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ መስፍን ኣራጌ ሓቢሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%88%8E-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%B3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/6224872.html"} {"headline":"ዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃ ኣንቶኒ ጉተረስ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት ምሕጽንታ ኣቕሪቦም","content":"ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ካብ መጀመሪያ ኣትሒዞም ፅምዶ ከካይዱ ምጽንሖምን ምስ መራሒ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህወሓት) ክዘራረቡ ንማርቲን ግሪፊስ ብምልኣኽ ኣብ ሰለስተ ጉዳያት ሓያል ምሕፅንታ ከምዘቕረቡን ገሊፆም። ኣብ ልዝብ ዝተመስረተ ነባሪ ቶኽሲ ደው ንምባል ብዘይውዓል ሕደር ተፃብኦ ምቁራፅበቲ ግጭት ናብ ዝተሃሰዩ ኩሎም ከባቢታት ምሉእ ተባፃሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ክረጋግፅን ሱር ናይቲ ግጭት ንምፍታሕ ልዝብ ምክያድ ክጅመርን ዝብሉ ምዃኖም ሓቢሩ። ይኹን እምበር እቲ ምሕፅንታ ምሉእ ኣወንታዊ መልሲ ኣይረኸበን ዋላ እውን መራሒ ህወሓት ንዕኦምን ንመራሒ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራትን ደብዳበ እንተላኹ ኢሎም። ጉተረዝ ፅምዶና ክቕፅል እዩ ምስ በሉ ንተበግሶታት ሕብረት ኣፍሪቃ ብምሉእ ንድግፍ ኢና አውን ኢሎም።ንተበግሶታት ኣመሪካን ሕቡራት ዓረብ ኢማራትን እውን ይከታተሉዎ ከምዘለው ብምግላፅ እቲ ኵናት ደውው ክብል ኣለዎ፤ትርጉም ኣልቦ እዩ ብወታሃደራዊ ኣይፍታሕን :ክልቲኦም ወገናት ብወታደራዊ ከምዘይፍታሕ ገና ኣይተረድኡን ኢሎም። ንሶም ኢትዮጵያዊያን ፀገማቶም ንምፍታሕ ብሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣካላትን ዝሕገዝን ብኢትዮጲያዊያን ዝመራሕን ልዝብ ክካየዱ ኣለዎም ኢሎም። ኢትዮጵያዊያን ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ክሳቐዩ ምርኣይ ኣብ ክልል ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ትግራይ ወፃኢ ኣብ ዘለው ከባቢታት እውን ልቢ ዝሰብር እዩ ኢሎም። ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ወሲኾም ምርግጋእን ሓድነትን ኢትዮጵያ ንናይቲ ዞባ ህድኣትን ሓድነትን ኣዚዩ ኣገዳሲ ዓንዲ ምዃኑ ክንግዘብ ኣለና፤እዚ ግጭት ካብ ዶባት ኢትዮጵያ ዝሰገረ ፅልዋ ክህልዎ ስለዝኽእል ኣዚዩ ዘሻቕለና ጉዳይ እዩ ኢሎም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%8A-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%89%B6%E1%8A%92-%E1%8C%89%E1%89%B0%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%8C%BD%E1%8A%95%E1%89%B3-%E1%8A%A3%E1%89%95%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/6224832.html"} {"headline":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ናብ ክልል ትግራይ ዘይተቋረጸን ዝተመሓየሸን ሰብኣዊ ሓገዝ ከብጽሕ ጸዊዑ","content":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዘይተቋረፀን ዝተመሓየሸን ሰብኣዊ ረድኤት ንስቪላት ምቕራቡ ክረጋገፅ ኣለዎ ክብል ናይ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ። ሕፅረት መግብን ገንዘብን፣ናህሪ ዋና መግብን ካልኦት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን፣ ምቁራፅ መጎዓዚያን ነቲ ክልል ይሃስዮ ከምዘሎ እቲ መግለፂ ሓቢሩ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ እቲ ግጭት ናብ ጎረባብቲ ክልላት ብምስፍሕፍሑ ዝፈጠሮ ናይ ፀጥታ ፀገማት ናብ ክልል ትግራይ ሓገዝ ሰብኣዊ ረድኤት ንምእታው ምጉታቱ ዝርዳእ'ኳ እንተኾነ ሕጂ እውን እቲ ሰብኣዊ ኩነታት'ቲ ክልል ዘተሓሳስብ እዩ ኢሉ። እቲ ኮሚሽን ኣብቲ መግለፂ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ዝለዓለ ብዝሒ ዘለዎም ብተወልደቲ ትግራይ ዝውነኑ ትካላት ንግዲ ምዕፃዎም ፀብፃባት ይበፅሖ ከምዘሎ'ውን ሓቢሩ ። ገሊኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ዝተኣሰሩ ተጋሩ ናብ ዝተፈላለዩ ወታሃደራዊ ካምፕታትን ኣዲስ ኣበባን ክልል ዓፋር ናብ ዝርከቡ ፖሊስ ካምፕታትን ከምዝግዓዙን እቲ ኮሚሽን ይከታተሎ ከምዘሎን ሓቢሩ።ብዙሓት ናይ ምብፃሕ መሰሎም ከምዝተጣሕሰን ጠበቓታቶምን ስድሮምን ክበጽሕዎም ከምዘይከአሉን: ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቐረቡን ሓቢሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%89%8B%E1%88%A8%E1%8C%B8%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%A8%E1%88%B8%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%A8%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%88%95-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%91\/6224742.html"} {"headline":"ተዘክሮታት መጥቓዕቲ መስከረም ኣብ ኣመሪካ","content":"ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ 11- መስከረም 2001 ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ግብረሽብራ ኣብ ዝዝክር መደብና ንኣቶ ዛይድ ተስፋማርያምን ኣቶ ኣማኑኤል በርሀን ካብ ኒውዮርክ:ወይዘሮ ኣሚራ ኢብራሂም ኸኣ ካብ ከባቢ ዲሲ ኣለክዛንድርያ ቨርጂንያ እዮም ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%8A%AD%E1%88%AE%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%8A%A8%E1%88%A8%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-\/6224569.html"} {"headline":"ፕረ. ባይደንን በዓልቲ ቤቶምን መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ሓድሽ ዓመትን ቅዱስ ዮሃንስን ንኢትዮጵያዊያን ኤርትራዊያንን ኣመሓላሊፎም","content":"ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስ በዓልቲ ቤቶም ጂል ባይደን ንኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ብምኽንያት በዓል ሓድሽ-ዓመትን ቅዱስ ዮሃንስን ሰናይ ምንየቶም ገሊጾም። ፕረዚደንት ባይደን ኣብቲ ብጽሑፍ ዝዘርግሑዎ ናይ ሰናይ ምንዮት መልእኽቲ፡ ዜጋታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንማሕበረሰብ ኣመሪካ ኣብ ምህብታም ዘለዎም ወሳኒ ተራ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ዝሓለፈ ዓመት ግን ኣብ ከቢድ እዋን ከም ዘሕለፉ ጠቒሶም። እቶም ፕረዚደንት ከቢድ ኢሎም ዝጠቐሱዎ ለበዳ ኮቪድን ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት’ዩ። ኣመሪካ ምስ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ልዑል ምትእስሳር ዝጠቐሱ ፕረዚደንት ባይደን፡ ኣብ ዜጋታት ዝወርድ ዘሎ መጥቃዕቲ ይከታተሉ ምህላዎምን ንምዕጋቱ ክጽዕሩ ምዃኖምን ወሲኾም ገሊጾም። ኪንዮ ዘሎ ወጥሪ ናብ ሰላምን ዕርቂን ክንከይድ ንትስፎ ዝበሉ እቶም ፕረዚደንት፡ ንህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሕጕስ ቅነ በዓላት ክዀነሎምን ንመላእ ዓለም ሰላም ዝሰፈኖ ወቕቲ ክኸውንን ምንየቶም ገሊጾም። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ምድላዋት ሓድሽ ዓመት ግዝእ: ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለየ ኣገባብት ይጽንበል ከም ዘሎ ወኪላትና ካብ ኣዲስ-ኣበባ፡ ሃዋስ፡ ባህርዳርን ኣዋሳን ኣብ ዝለኣኹዎ ጸብጻብ ገሊጾም። ብመሰረት'ቲ ጸብጻባት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኩነታት ዕዳጋ ብዝምልከት ኣብ ድሮ በዓል ፡ ዋጋ ሓደ ደርሆ ብማእከላይ ዋጋ 500 ብር ተሸይጡ`ሎ። ከምኡውን ዋጋ ከብቲ፣ በጊዕ፣ ጤልንን ካልኦት ንበዓል ዘድልዩ ኣቑሑት መጠነኛ ወሰኽ ከምዘርኣየ ሸመቲ ገሊጾም ኣለው። ካብ ሃዋሳ ብመሰረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ’ውን ዋጋ ዕዳጋ ኣብ እዋን በዓል ከምዝናሃረ ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ሰባት ገሊጾም ኣለው። ነበርቲ ኣምቦ ብወገኖም ሃዋሁ በዓል ዘሕጉስ እዩ፣ እንተኾነ ዕዳጋ ግና ከቢሩ ኣሎ ከምዝበሉ ተፈሊጡ`ሎ። ብተወሳኺ፣ ኣብ ማእከል ኢግዚብሽን አዲስ አበባ ኣብ ዝተዳለወ ባዛር (ምርኢት ፍርያት)፣ ድሙቕ ኩነተ ዕዳጋ ይራኣይ ኣሎ። ብርክት ዝበሉ ሸመቲ’ውን ነቲ ስፍራ ይሪኡ ከምዘለው ዝመጸና ዜና ሓቢሩ። ኣብ ኤርትራ`ውን ንበዓላት ቅዱስ ዮውሃንስ ዝምልከት ዝተፈላለየ ምድላዋት ምንባሩ ካብቲ ቦታ ተሓቢሩና`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%89%B2-%E1%88%B0%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%8A%92%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%89%85%E1%8B%B1%E1%88%B5-%E1%8B%A9%E1%88%83%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D-\/6221808.html"} {"headline":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕ\/ሃን ኢትዮጵያን ኣብ ክልል ትግራይ ዘካየድዎ ምጽራይ ግህሰት መሰላት ምዝዛሞም ሓቢሮም","content":"ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን፡ ብሓባር ኮይኖም ኣብ ክልል ትግራይ ከካይድዎ ዝጸንሑ ምጽራይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ምዝዛሙ ኣፍሊጦም። እቲ ካብ ግንቦት 16 ክሳብ ነሓሰ 20, 2021 ዝተኻየደ ምጽራይ ኣብ መቐለ፡ ዉቕሮ፡ ሳምረ፡ ኣላማጣ፡ ቦራ፡ ማይ ጨው፡ ዳንሻ፡ ማይካድራ፡ ሑመራ፡ ጎንደር፡ ባህርዳር ከምኡ`ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያዱ ይጠቕሱ። እቲ ኣጻራዪ ጉጅለ ልዕሊ 200 ቃለ-መጠይቓት ምስ ግዳያት ምስ ክልላውን ሃገራውን ሰበ-ስልጣን፡ ምስ ሲቪላውን ሃይማኖታውን ትካላት ከምኡ`ውን ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ዝንቀሳቐሱ ሕክምናዊ ፍትሓውን ሰብኣውን ትካላት ከምዝገበረ ኣፍሊጡ`ሎ። ከምኡ'ውን ሰነዳት፡ ስእልታትን ቪድዮታትን ከምዝመርመረ ዝገለጸ እቲ ናይ ሓባር ኮሚሽን፡ ናብ ገለ ከባብታት ብሰንኪ ብቕልጡፍ ዝቀያየር ዝነበረ ኩነታት ጸጥታን ካልእ ጸገማትን ክበጽሕ ከም ዘይክኣለ- እንተኾነ ካብቲ ቦታታት ንዝሃደሙ ግዳያትን መሰኻኽርን ከምዘዘራረበ ኣፍሊጡ`ሎ። ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ብችለት፡ ዝመጽእ ሰኑይ 13 መስከረም 2021፡ ኣብ ጀነቫ ብዛዕባ`ቲ ዛጊት ዝተገብረ ምጽራይ መብርሂ ከም ትህብ ዝተሓበረ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ውጽኢት ናይ`ቲ መርመራ ግን ሕዳር 1, 2021 ወግዓዊ ከምዝኸውን ተጠቒሱ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5%E1%8B%8E-%E1%88%9D%E1%8C%BD%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%88%85%E1%88%B0%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8B%9B%E1%88%9E%E1%88%9D-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/6221652.html"} {"headline":"ዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃ ምምላስ ጣሊባን ኣብ ዞባ ሳሕል ኣፍሪቃ ንዘለው ዕጡቓት ግብረሽበራዊያን ዘተባብዕ ከይከውን የጠንቅቑ","content":"ዋና -ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ዞባ ሳሕል ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ግብረ ሽበራዊያን`ውን በቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ጣሊባን ናብ ስልጣን ዝተመለሰሉ ኩነታት ክተባብዑ ይኽእልዩ`ዮም ክብል ኣጠንቂቖም። ርኡይ ሓደጋ`ሎ ዝበሉ ጉተረዝ፡ ኣብ ዞባ-ሳሕል ኣፍሪቃ ዝንቀሳቐሱ ግብረ ሽበራዊያን ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ዘይነበሮም ሓሳብ ከምጽኡ ይኽእሉ`ዮም ኢሎም። እቲ ዞባ ድኹም ኩርናዕ`ዩ ዝበሉ ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ሎሚ ኣብ ማሊን ቡርኪናፋሶን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብ ኣይቮሪኮስትን ጋናን ከይተረፈ ሰሊኾም ዝኣትዉ ግብረ ሽበራዊያን ኣለዉ ኢሎም። ዋና- ጸሓፊ ጎተረዝ፡ ኣብቲ ዞባ ብሕቡራት ሃገራት ዝምወል ኣፍሪቃዊ-ሓይሊ ክምደብ ይደልዩ ምዃኖም ብምግላጽ ኣብቲ ዞባ ንጥፍቲ ዝኾነት ፈረንሳ ነቲ ሓሳብ ከምትድግፍ: ዋና መዋሊት ገንዘብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነት ኣመሪካ ግን ነቲ ሓሳብ ትነጽጎ`ላ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%8A-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%B5-%E1%8C%A3%E1%88%8A%E1%89%A3%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%88%B3%E1%88%95%E1%88%8D-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%BD%E1%89%A0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%8B%95-%E1%8A%A8%E1%8B%AD%E1%8A%A8%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8B%A8%E1%8C%A0%E1%8A%95%E1%89%85%E1%89%91\/6221615.html"} {"headline":"'ሓይልታት ትግራይ' ኣብ ዳባት ፈጺሞምዎ ንዝተባህለ ቕትለት ይነጽጉ","content":"ዕጡቃት ክልል ትግራይ፣ ኣብ’ቲ ንክልተ መዓልታት ዝተካየደ ውግእ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንብርክት ዝበሉ ሰላማዊያን ሰባት ቀቲሎም ንዝብል ትማሊ ረቡዕ ዝወጸ ሪፖርት ነጺጎምዎ። ትካል ዜና ሮይተርስ ትማሊ አብ ዝፈነዎ ዜና \" ክልላዊ ሰበ ስልጣን፣ ቅድሚ አስታት ሓደ ሰሙን ኣብ ዝተካየደ ውግእ፣ 120 ሰላማዊያን ሰባት ተቀቲሎም\" ከምዝበሉ ይሕብር። ንሮይተርስ ርእይቶኦም ዝሃቡ ነበርቲ’ቲ ከባቢ \"ካብ ዳባት 10 ኪ\/ሜ ርሒቁ ኣብ ዘሎ ስፍራ ናይ ሓረስቶት ዝመስል ኣስከሬናት ከምዝረኸቡ\" ይሕብሩ። አስዒቡ መግለጺ ዝሃበ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ነቲ ሓበሬታ ‘ዝተፈብረኸ ክሲ’ ክብል ነጺግዎ ኣሎ። ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ \"ተፈጺሞም ዝባሃሉ ኩሎም ዓይነታት ግፍዒ ብነጻ ኣካል ንክጻረዩ ንጽውዕ ኣለና፣ ሚድያታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርና ናብ ዘለው ከባቢታት ኣትዮም ሓበሬታ ንክዝርግሑ ክንሕግዝ ኢና\" ከምዝበለ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%B3%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%9E%E1%88%9D%E1%8B%8E-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%88-%E1%89%95%E1%89%B5%E1%88%88%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8A%90%E1%8C%BD%E1%8C%89\/6220305.html"} {"headline":"ትካል ስደተኛታት ሕ\/ሃ ሃለዋት ገለ ካብቶም ኣብ መዓስከር ሱዳን ዝነበሩ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ክፈልጥ ከምዘይከአለ ገሊጹ","content":"ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ውግእ ተሰዲዶም ኣብ መዓስከራት ሱዳን ዝነበሩ ዝተወሰኑ ሰባት፣ ካብ’ቲ መዓስከር ወጺኦም ኣበይ ከምዝኣተው ክፈልጥ ኣይካኣልኩን ኢሉ ። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ \"ገለ ካብ’ቶም ተመዝጊቦም ዝነበሩ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ኣብ ውግእ ይሳተፉ ኣለው ዝብል ሪፖርት መሓውራት ዜና ምስምዖም፣ እንተኾነ መምርሒ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብደረጃ ውልቀ ሰብ ሓበሬታ ምሃብ ክልኩል ከምዝገብሮ ጠቂሱ። መጠነኛ ምንካይ ብዝሒ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ዋላ’ውን እንተተረኣየ፣ እንተኾነ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት እቶም ሃለዋቶም ዘይተፈልጡ ሰባት ኣበይ ከምዘለው ብንጹር ክፈልጥ ኣይካኣልን ይብል። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ \"እቶም ሃለዋቶም ዝጠፍኡ ሰባት፣ ስደተኛታት ዘይኮኑ ኣብ ማይካድራ ጭፍጨፋ ዝፈጸሙ መናእሰይ ህወሓት ምዃኖም ኣቅድም ኣቢልና ገሊጽና ኢና::እቶም ሰባት ናብ ህወሓት እዮም ተጸምቢሮም\" ኢሉ። ሓላፊት ፕረስ ቤት ጽሕፈት ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ቢል ለኔ ስዩም ኣብ’ዚ ቅነ’ዚ፣ ኣብ ጭና ዝተባሃለ ከባቢ ዝተፈጸመ ጭፍጨፋን ንደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ሓዊሱ 200 ሰባት ዝተቀትልሉ መቀጸልታ ጨፍጫፍ ማይካድራ እዩ ከምዝበለት’ውን ተሓቢሩ'ሎ። 'ሳምሪ’ ተባሂሎም ዝጽውዑ ህወሓት ዝወደቦም መናእሰይ፣ ኣብ ማይካድራ ዝፈጸምዎ ቅትለት፣ ልዕሊ 600 ሰባት ከምዝተቀትሉ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ከምዝገለጸ ዝዝከር እዩ። ህወሓት ግን ነዚ ክሲ’ዚ ይነጽግ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%88%83%E1%88%88%E1%8B%8B%E1%89%B5-%E1%8C%88%E1%88%88-%E1%8A%AB%E1%89%A5%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%B5%E1%8A%A8%E1%88%AD-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A9-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8D%88%E1%88%8D%E1%8C%A5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8A%A8%E1%8A%A0%E1%88%88-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6220151.html"} {"headline":"ነበርቲ ወረዳ ዳባት ጭና ተፈጺሙ ንዝበልዎ መጥቓዕቲ ዝምልከት ብህወሓት ዝተዋህበ ግብረመልሲ ከምዘይቕበሉ ገሊጾም","content":"ነበርቲ ሰሜን ጎንደር ወረዳ ዳባት ጭና ቀበሌ ተክለሃይማኖት፣ ዕጡቃት ህወሓት ፈጺሞምልና ካብ ዝበልዎ መጥቓዕቲ ከምዘምለጡን ንናይ ህወሓት ግብረ መልሲ ከምዘይቅበሉን ገሊጾም። ብመሰረት’ቲ ዜና፣ እቶም ርእይቶ ወሃብቲ ዕጡቃት ህወሓት ካብ 24 ነሓሰ ለይቲ ጀሚሩ ንሓሙሽተ መዓልታት ከምዝጸንሑን፣ አብ ልዕሊ 200 ሰባት መጥቓዕቲ ምፍጻሞምን ነጻ ኣካል መጻረዪ ከረጋግጾ ዝኽእል ሓቂ እዩ ይብሉ ። ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ \"ሰራዊትና ንሰላማዊ ሰባት ቀቲሎም ዝብል ክሲ አትሪርና ንነጽጎ፣ ተፈጺሞም ዝባሃሉ ገበናት ብነጻ ኣካል ንክጻረ ደጊምና ንሓትት\" ኢሉ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B3-%E1%8B%B3%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8C%AD%E1%8A%93-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%99-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%8D%E1%8B%8E-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%8B%E1%88%85%E1%89%A0-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%95%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/6220127.html"} {"headline":"ኣብ መንጎ ፕረዚደንትን ቀ\/ሚን ሶማል ዘሎ ምስሕሓብ ንፀጥታን ምርጫን ክጎድኦ ይኽእል እዩ ተባሂሉ","content":"ናይ ሶማሊያ ፕሬዝዳንትን ቀዳማይ ምንስቴርን ብምኽኒያት ሓላፊ ስለያ ናይታ ሃገርን ብሞት ወኪል ድሕነት ሳይበርን ኣብ ናይ ስልጣን ንሕንሕ ዝጠሓሉ ይመስሉ።ቀዳማይ ምንስቴር ሑሴን ሮቤል ኣብዚ ሰሙን ንናይታ ሃገር ሓላፊ ኤጄንሲ ሃገራዊ ስለያን ድሕነትን ፋሃድ ያሲን ንሞት ወኪል ድሕነት ሳይበር ብዘይምምርማሮም ካብ ስልጣኖም ኣጊዶምዎም ኣለው።እቶም ፕሬዝዳንት ግን ነቲ ስጉምቲ ብምግሳፅ ያስን ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ገይሮም ትማሊ ረቡዕ ሸይሞምዎም። ፕሬዝዳንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ኣኼባ ሃገራዊ ድሕነት ብምፅዋዕ ገለ ላዕለዎት ሽመታት ሃገራዊ ድሕነት ብምቅይያር ካብ ስልጣኖም ዝተኣገዱ ዳይረክተር ስለያ ፋሃድ ያሲን ኣማኻሪ ሃገራዊ ፀጥታ ኮሎኔል ያሲን ዓብዱላሂ ድማ ግዚያዊ ዳይረክተር ኤጀንሲ ሃገራዊ ስለያን ድሕነትን \\NISA\\ ገይሮም ሸይሞምዎም። ሮበል ከምዝተቐተለት ዝንገር መንእሰይ ጓል ኣንስተይቲ ሰላሊት ኢክራን ታሕሊል ፋራሕ ምርመራ ከይካየድ ምዕንቃፍ ፍትሒ እዩ ክብሉ ንናይቶም ፕሬዝዳንት ስጉምቲ ገሊፆምዎ። ፋራሕ ኣብ ሰነ ምስተሰወረት NISA ሞይታ እያ ክብል ኣብዚ ወርሒ ኣዊጁ።ዝርዝር ኣማውትኣ ግን ኣይገለፀን። ፖለቲካዊ ተንታኒ ሓሳን ሙዳኔ ኣብ መንጎ ኣብያተ ፅሕፈት ፕሬዝዳንትን ቀዳማይ ምንስቴርን ዘሎ መሪር ምልውዋጥ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ትካላት ፌደራል ዝህሊ ምትሕብባር ዘዳኽም እዩ ይብል። ከም ናይ ፍትሒ ኣካል፣ናይ ፕሬዝዳንት፣ናይ ፀጥታ ክፍልታትን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ተቋማት ከምኡ እውን ኣንፃር ኣል ሸባብ ዝካየድ ግጥም በቲ ምስሕሓብ ክትንከፍ እዩ ኢሉ።ብቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ምንስቴር ዝምራሕ መስርሕ ምርጫ እውን ክፍተን እዩ ኢሉ ብምውሳኽ። መስርሕ ምርጫ ፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ቀረባ ክጅመር እዩ። ብመሰረት ተንታኒት ፀጥታ ሳሚራ ኣሕመድ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ላዕለዎት መራሕቲ ዘሎ ምስሕሓብ ንስራሕቲ ኤጄንሲታት ፀጥታ ሶማሊያን ዓለምለኸ መሻርኽቶምን ከቢድ ይገብሮ ትብል። ‘’እቶም ቀዳማይ ምንስቴር ዛጊድ ፅቡቕ ይኸይድ ንዘሎ መስርሕ ምርጫ ክመርሕ ሓላፍነት ዝተውሃቦ እዩ’'ዝበለት ንሳ ‘’እዚ ዳሕረዋይ ኣፈላላያት ኣብ መንጎ ናቶም ቤት ፅሕፈትን እቶም ፕሬዝዳንትን ንፀጥታ ብምጉዳእ ንተማንነት መስርሕ ምርጫ ክጎድኦ ይኽእልን እዩ’’ በለት። ብዓይኒ ህዝቢ ሶማሊያን ዓመለኸ መሻርኽትን ንመስርሕ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ቅቡልነት ከስእን ይኽእል ትብል ብምውሳኽ። ፕሬዝድንታዊ ሕፁያት ዝኾኑ መራሕቲ ተቓዋመቲ ብሓባር ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ናይቶም ፕሬዝዳንት ስጉምቲ ነቲ ዝቐፀለ መስርሕ ምርጫ ዘዛብዕ እዩ ብምባል ንቶም ቀዳማይ ምንስቴር ዘለዎም ደገፍ ገሊፆም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8E-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%89%80-%E1%88%9A%E1%8A%95-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%95%E1%88%93%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%8D%80%E1%8C%A5%E1%89%B3%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%8C%8E%E1%8B%B5%E1%8A%A6-%E1%8B%AD%E1%8A%BD%E1%8A%A5%E1%88%8D-%E1%8A%A5%E1%8B%A9-%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%82%E1%88%89\/6219936.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ጭና ዝተባህለ ቦታ ኣስታት 200 ንጹሃን ሰባት ብህወሓት ምቕታሎም ነበርቲን ሰበ ስልጣን'ቲ ከባብን ገሊጾም","content":"ዕጡቓት ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር ዳባት ወረዳ ጭና ተክለ ሃይማኖት ኣብ ዝተብሃለ ናይ ገጠር ዓዲ ንልዕሊ 200 ንፁሃን ሰባት ምቕታሎም ሰበስልጣን መንግስቲ እቲ ከባቢ፣ዝተጎድኡን መሰኻኽር ዓይኒ ምዃኖምን ዝገለፁ ነበርትን ገሊፆም። ዕጡቓት ህወሓት ኣብቲ ከባቢ ንሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ዝፀንሕሉ እዋን ገዛ ገዛ እናዘሩ ንፁሃን ቀቲሎም ክብሉ ነበርቲ ምዃኖም ዝገለፁ መሰኻኽር ዓይኒ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም። ብኻልእ ወገን ድማ ዕጡቓት ህወሓት ን120 ስቪላት ከምዝቐተሉ ሎሚ ረቡዕ ሮይተርስ ንሰበ ስልጣን'ቲ ከባቢ ብምጥቃስ ፀብፂቡ። ብመሰረት ኣብ ዳባት ከባቢያዊ ኣመሓዳሪ ኣቶ ሰውነት ዉባለምን ወሃቢ ቃል ምምሕዳር ከተማ ጎንደር ኣቶ ቻላቸው ዳኘውን እቲ ቕትለት ካብ ከተማ ዳባት 10 ኪ.ሜትር ሪሒቑ ኣብ ዝርከብ ናይ ገጠር ዓዲ 1ን2ን መስከረም 2021 እዩ ተፈፂሙ ። እቲ ፀብፃብ ኣቐባሊ ቃል ሓይልታት ትግራይ ሪኢቶ ክህብ ተሓቲቱ ኣይመለሰን ይብል ። ከባቢያዊ ኣመሓዳሪ ሰውነት ንሮይተርስ ብቴሌፎን ኣብ ዝሃቦ ቃል \"ዛጊድ 120 ሬሳ ረኺብና ኣለና፤ኩሎም ንፁሃን ሓረስቶት እዮም።እቲ ቁፅሪ ካብኡ ንላዕሊ ከምዝኸውን ንኣምን።ሃለዋቶም ዘይተፈልጡ ሰባት ኣለው ’’ ኢሉ ። ቅድሚ ዓሰርተ ኣዋርሕ በሰንኪ ዝጀመረ ኵናት ኣሽሓት ተቐቲሎም ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ሰባት ድማ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም።አቲ ውግእ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ሰፊሑ እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ክልል ትግራይ ዝተባህለ ቤት ጽሕፈት ነቲ ብኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዝወጸ ዜና ብትሪ ኮኒኑዎ ኣሎ። ኣብቲ ዝዘርግሖ ሓጺር ጽሑፍ፡ እቲ ብ1ን 2ን መስከረም ተፈጺሙ ዝተባህለ ጃምላዊ ቅትለት ኣብ ስኑዕ ዜና ሓይልታት ኣምሓራ ዝተመርኰሰን ዝዀነ ጭብጢ ዘይብሉን ክብል ገልጽዎ። ኣብ ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽን ካልእ ግፍዕታትን ምዝጉብ ታሪኽ ዘለዎም ሓይልታት ኣምሓራ’ዮም ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ መዛግብቱ ክርኢ ኣዘኻኺሩ ኣሎ። እቲ መግለጺ ኣብ መወዳእታ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ከምኡ ዝመስል ስጉምታት ቅጡባት ምዃኖም ድሕሪ ምሕባር፡ ናጻ ኣካል ከጻሪን ነቲ ሓበሬታ ከመሳኽር ንዝደሊ ማዕከን ዜና ድማ ማዕጾኦም ክፉት ምዃኑን ሓቢሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8C%AD%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%88-%E1%89%A6%E1%89%B3-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-200-%E1%8A%95%E1%8C%B9%E1%88%83%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%B3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/6217984.html"} {"headline":"ሱዳን ኣብ ወሰናት ሩባ ተከዘ ዝተረኽበ 29 ሬሳታት ብዝምልከት ንኣምባሳደር ኢትዮጵያ ምዝርራባ ሓቢራ","content":"ሱዳን ኣብ ወሰናት ሩባ ተከዘ ዝተረኸበ 29 ሬሳ ተወለድቲ ትግራይ ምዃኖም ንምግላፅ ንኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ካርቱም ከምዝፀውዐት ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣፍሊጡ። እቲ ሚንስትሪ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ እቶም ኣምባሳደር 30 ነሓሰ 2021 ተፀዊዖም ካብ 26 ሓምለ ክሳብ 30 ነሓሰ ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ሱዳን ሩባ ሰቲት ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ተከዘ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ሩባ ከምዝተረኸቡ ተነጊሩዎም ኣሎ። እቶም ሬሳታት ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን ከባቢ ዋድ ኣል ሁላይዋህ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን እዮም ኣለልዮምዎም።እቲ መግለፂ ከመይ ከምዝሞቱ ኣይጠቐሰን። ብሰንኪ ህንፀት ግድብ ህዳሴ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ወጥሪ ምፍጣሩ ይዝከር። ብሰንኪ እቲ ኵናት ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ናብ ሱዳን ሃዲሞም እዮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%88%A9%E1%89%A3-%E1%89%B0%E1%8A%A8%E1%8B%98-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%A8%E1%8A%BD%E1%89%A0-29-%E1%88%AC%E1%88%B3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B3%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%88%AB%E1%89%A3-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AB\/6217971.html"} {"headline":"ኣመሪካ ንምርመራ ሕማም ቲቢ ዝውዕል ናውቲ ሕክምና ንኢትዮጵያ ወፍያ","content":"ኣመሪካ ንምርምር ሕማም ቲቢ ዝውዕል ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝዋጋኡ ናውቲ ሕክምና ንኢትዮጵያ ወፍያ። ኣብቲ ብመገዲ ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣመሪካ (USAID) ኣቢሉ ዝተወፈየ 46 ዘመናውያን መርምርመሪ ማሺናት፡ ሎሚ መዓልቲ’የን ብመገዲ ኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ጊታ ፓሲ ንሚኒስተር ጥዕና’ታ ሃገር ዶክተር ሊያ ታደሰ ተረኪበን። ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ኣምባሳድር ፓሲ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምቍጽጻር ሕማም ቲቢ ዝገብሮ ዘሎ ስራሓት መጒሰን። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት 24,000 ሽሕ ዜጋታት ብሕማም ቲቢ ይሞቱ።እዚ ኣሃዝ’ዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰዓት ሰለስተ ሰባት ምዃኖም እዩ።ብመሰረት መግለጺ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ እተን ዝተዋህባ ማሺናትን 90% ናይቲ ዝርአ ሕማማት ቲቢ ክፍውሳ ዓቕሚ ኣለውን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%88%95%E1%88%9B%E1%88%9D-%E1%89%B2%E1%89%A2-%E1%8B%9D%E1%8B%8D%E1%8B%95%E1%88%8D-%E1%8A%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%88%E1%8D%8D%E1%8B%AB\/6217866.html"} {"headline":"ኣብ ዝተፈላለያ ኣህጉራት ዝነብሩ ተጋሩን ደገፍቶምን ሰልፊ አካይዶም","content":"ኣብ ዝተፈላለያ ኣህጉራት ዝነብሩ ተጋሩን ደገፍቶምን ሎሚ ረቡዕ ኣብ ሰልፊ አካይዶም:: ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓለም ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይን ደገፍቶምን፣ ሎሚ ረቡዕ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ሒዞም ድምጺ ተቃውሞ ከምዘቃልዑ ተገሊጹ። ናይ ሎሚ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ኣብ ኤምባሲ ቱርኪን ቤት ጽሕፈት ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ዘለዎም ልዕሊ 15 ከተማታት ኣመሪካ፣ ካናዳ፣ አውሮጳ፣ እስራኤልን ኣውስትራልያን እዩ ተካይዱ ። ዕላማ’ቲ ሰልፊ \"መንግስቲ ቱርኪ ንኢትዮጵያ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ከይሸይጥ፣ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ብዘይ ዕንቅፋት ክበጽሕ ከምኡ'ውን ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ካብ ክልል ትግራይ ንክውጹ፣ ኣገልግሎታት ባንኪ፣ ቴለፎን፣ ኤለክትሪክ፣ ማይ፣ ሕክምና ንክጅምርን ኣብ ክልል ትግራይ ንዝተፈጸመ ግፍዒ ብዓለምለኸ ነጻ መጻረዪ ኣካል ንክምርመርን፣ ኣብ ልዝብ ዝተመርኮሰ ምቁራጽ ተኹሲ ንክትግበርን ንምሕታት\" ከምዝኾነ እቶም ተቃወምቲ ዘዳለውዎ በራሪ ጽሑፍ የርድእ። \"መንግስቲ ቱርኪ ኣባል ሃገራት ኔቶ (ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ) ኣብ ሕጉ ዓንቀጽ 2 ኩለን ኣባል ሃገራት፣ ብደረጃ ዓለም፣ ሰላማዊን ምሕዝነታዊ ርክብን ንክፍጠር ይሰርሓ ንዝብል መትከል ብምጥሓስ ንኢትዮጵያ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ንክሸጠላ ተዋዓዒሉ ኣሎ\" ይብሉ። ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከብ ኤምባሲ ቱርክ ግብረ መልሲ ንክህበሉ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ኣይተዓወተን። ብተመሳሳሊ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ካብ’ቶም ተሰለፍቲ ንዝተቃልሑ ክስታትን ነቀፋታትን ግብረ መልሲ ንክህበሉ ፈቲና ኣይሰለጠን። እንተረኺብና ክነቅር ምኻኑ ንገልጽ። ብደረጃ ዓለም ሎሚ ዝዋዓለ ሰፊሕ ሰልፊ ተጋሩ ዝምልከት ሪፖርት ድሕሪ ጽባሕ ዓርቢ ክቀርብ ምኻኑ ክንገልጸልኩም ንፈቱ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%88%85%E1%8C%89%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A5%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%8C%8B%E1%88%A9%E1%8A%95-%E1%8B%B0%E1%8C%88%E1%8D%8D%E1%89%B6%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D\/6217848.html"} {"headline":"ዘተ ኣብ ጉዳይ ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ትግራይ ዘጋጥም ማእሰርቲን ምዕጻው ኣብያተ ንግዲን","content":"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ተወላዶ ክልል ትግራይ ናይ ማእሰርትን ኣብያተ ንግዶም ምዕጻውን ጸገማት የጋጥሞም ከምዘሎ ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ገሊጸን ኔረን። ንምዃኑ እቲ ጸገም ማዕረ ክንደይ'ዩ? ተጋሩ ተቐማጦ ኣዲስ ኣበባ'ኸ እንታይ ይብሉ? ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ወይ ዘጋጥሞም ዘሎ ኩነታት``ከ እንታይ ይመስል? ነቲ ብድሆታት ንምፍታሕን ተኸባቢርካ ንምንባርን'ከ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ ዝብሉን: ካልኦት ሕቶታትን ኣልዒልና ን አርባዕተ ተጋሩ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዓዲምና ኣለና፥ ከበደ ኣሰፋ በዓል ሞያ ሕጊ:መሰሉ ረዳ ሰራሕተኛ ረድኤት-ነበር: ደስታ ኪሮስ ኣባል `ራእይ ንድሕነት ተጋሩ ዓለም-ለኸ ማሕበር`:ሳባ ኣይነኣለም ድማ ኣሰናዳኢት መደብ \"ምእንቲ ሃገር\" እዮም:: ምሉእ ትሕዝቶ ዘተ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B6-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A5%E1%88%9D-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%8C%BB%E1%8B%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AB%E1%89%B0-%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%8B%B2%E1%8A%95\/6215127.html"} {"headline":"ህወሓት ጻውዒት ልዝብ ዝሓዘ ደብዳበ ንዝተፈላለየ ሃገራትን ዓለምለኸ ትካላትን ኣቕሪቡ","content":"ብፈደራል መንግስቲ ኣሸባሪ ተባሂሉ ካብ መዝነቱ ዝተኣልየ፡ ንነብሱ ግን ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምዃኑ ዝገልጽ ዕጡቕ ሓይሊ ክልል ትግራይ፡ “ዋላ’ኳ ኣብቲ ኲናት ልዕልና እንተሃለወና፡ ዘላቒ መፍትሒ ዝመጽእ ግና ብልዝብን ስምምዕ ተዅሲ ጠጠው ምባልን ምስ ዝካየድ’ዩ” ክብል ንዝተፈላለየ ሃገራትን ዓለም-ለኸ ትካላትን ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ ኣፍሊጡ። ፌደራል መንግስቲ ብወገኑ ብተደጋጋሚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ንህወሓት ብተኹታኹነትን ኵናትን ከሲሱዎ ኣሎ። ናይዚ መርኣያ ዝጥቀስ ድማ ድሕሪ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ዝተኣወጀ በይናዊ ቶኵሲ ጠጠው ምባል ህወሓት ዝገበሮም ምንቅስቓስ እዩ። ህወሓት እቲ ቶኽሲ ጠጠው ምባል ንሰላምን ንናይቲ ክልል ሓረስቶት ናይ ሕርሻ ግዜ ክውዕል ካብ ምግባር እቲ ኵናት ናብ ዓፋርን ኣምሓራን ምስፍሕፋሑን ፌደራል መንግስቲ ይገልፅ። ክልላዊ መንግስታት ኣምሓራን ዓፋርን መንግስቲ ድሕሪ ዝኣወጆ በይናዊ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ውሳነ ብተደጋጋሚ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፅታት ህወሓት ወራር ከምዝፈፀመ፣ኣብቲ ኵናት ዝኾነ ይኹን ተሳትፎ ኣብ ልዕሊ ዘይብሎም ሰላማዊያን ሰባት ዝለዓለ መጥቓዕቲ ምውራዱ ብዝርዝር ከረድኡ ፀኒሖም እዮም። ብተወሳኺ ''ኣሸባሪ''ኢሎም ብዝፀውዕዎ ህወሓት ዘረፋን ዕንወት ንብረትን ከምዝተፈፀመ ከሲሶም። ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተኣወጀ በይናዊ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ስጉምቲ ናይ መወዳእታ ዕድል ከምዝነበረ ዝገለፁ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዘየዳግም ኢሎም ዝገለፁዎ ስጉምቲ ምውሳድ ምዃኑ ኣብ ምግላጽ ይርከቡ።ንዝተፈላለያ ሃገራትን ትካላትን ዝተፅሓፈ ደብዳበ ብዝምልከት ግን ክሳብ ሕጂ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተው ሃበ ቀጥታዊ ምላሽ የለን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8C%BB%E1%8B%8D%E1%8B%92%E1%89%B5-%E1%88%8D%E1%8B%9D%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%8B%98-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%89%A0-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A8-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%95%E1%88%AA%E1%89%A1\/6214614.html"} {"headline":"ሚ\/ሰላም ኢትዮጵያ መግብን ካልእ ረድኤት ዝጸዓና 100 ናይ ጽዕነት ተሸርከርቲን ናብ ክልል ትግራይ ምልኣኹ ገሊጹ","content":"​ድሕሪ ውሳነ በይናዊ ምቁራጽ ተኹሲ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ክልል ትግራይ ብልዕሊ 500 ናይ ጽዕነት ተሽከርከርቲ መግብን ካልእ ረድኤትን ምልኣኹ ሚንስትሪ ሰላም ኣፍሊጡ። እቲ ሚንስትሪ ወሲኹ \"እቲ ምንቅስቓስ ረድኤት ንከይቀላጠፍ ዕንቅፋት ዝፈጠረ ህወሓት`ዩ\" ድማ ይብል ። ኣብ ከባባ ከምዘሎ ዝዛረብ ህወሓት ብወገኑ፡ \"ህዝቢ ትግራይ እኽሊ ረድኤት ንኸይረክብ መንግስቲ ዕንቅፋት ይፈጥር ኣሎ\" ይብል:: ብኻልእ ወገን፡ ሓደ ሓደ ዘይመንግስታውያን ትካላት ነቲ መንግስቲ ብኣሸባርነት ዝመደቦ ሓይሊ፡ ኣጽዋራት ከቐብሉ ከለዉ ከምዝተታሕዙ እቲ ሚንስትሪ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A5-%E1%88%A8%E1%8B%B5%E1%8A%A4%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8B%93%E1%8A%93-100-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8C%BD%E1%8B%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%88%B8%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A3%E1%8A%B9-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9-\/6214609.html"} {"headline":"ሚ\/ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ብዙሓት ሰራዊት ህወሓት ምቕታሉ ገሊጹ","content":"ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ኣብ ዝተኻየዱ ውግኣት ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ተዋጋእቲ ህወሓት ተቕቲሎም ክብል ሚንስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ወተሃደራዊ ወፍሪ ሌ\/ና ጀነራል ባጫ ደበሌ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃዎ መግለጺ፡ መንግስቲ ወተሃደራዊ ዓወታት ኣመዝጊቡ`ሎ ኢሉ። ህውሓት ንምቁራጽ ተኹሲ ብዘይምቕባል ካብ ክልል ትግራይ ሰራዊት ኣኪቡ ንክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ወሪሩ`ዩ ዝብለ ጀነራል ባጫ፡ ወተሃደራዊ ስልጠና ዘይወሰዱን ቆልዑትን ናብቲ ውግእ ኣእትዩዎም`ዩ ኢሉ። ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ሓይሊ`ውን ብወገኑ ነቲ ኩናት ብዓወት ይቕጽሎ ከምዘሎ ክገልጽ ጸኒሑ`ዩ። ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኩሎም ወገናት ብህጹጽ ናብ ዘተ ሰላም ክኣትዉ ዝሓለፈ ቀረባ ሰሙናት ምጽውዑ ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%8C%8D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%99%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%B3%E1%88%89-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6214603.html"} {"headline":"ወትሃደራዊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ 48 ተኸሰስቲ  ፍርዲ ሂቡ","content":"ወታሃደራዊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ 'ሃገር ንምፍራስ' ምስ ህወሓት ተመሳጢሮም ኣብ ልዕሊ ዝበሎም 48 ተኸሰስቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ፍርዲ ሂቡ። ካብ 20 ነሓሰ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ጉዳዮም ክርኢ ዝፀንሐ ወታሃደራዊ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ 154 ተኸሰስቲ ካብ ክልተ ክሳብ 18 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ፈሪዱዎም ኣሎ። እቲ ቤት ፍርዲ እቶም ዝተፈረዶም ንሃገሮም ዝኣተውዎ ቃል ኪዳን ናብ ጎኒ ብምግዳፍ ናይቲ ሰራዊት ሓፈሻዊ ምንቅስቓስ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቖም፣ናይ ትግራይ ፍሉይ ሓይሊ ክሓይል እዩ ዝበሉዎም ተግባራት ፈፂሞም፣ ናይ ሰራዊት ዝተፈላለዩ ምስጢራትን መረዳእታታትን ኣሕሊፎም ሂቦም ዝብል ክሲ ተመስኪሩዎም ኢሉ ። ካብ መንጎ ዝተፈረዶም ሓለቓ ሓምሳ ሽመንዲ ትርፈ ብ18 ዓመትን ሸሞንተ ወርሕን፣ሌተናል ኮሎኔል ገብረኪዳን ወልደማሪያም 18 ዓመት፣ሓለቓ ሽሕ ሃብቱ ኣበራ ግደይ 17 ዓመት ክእሰሩ ዝብል ይርከቡዎም። ናይቶም ተኸሰስቲ ተሓጋጋዚ ጠበቓ ሓለቓ ምእቲ እምሩ ጫለ ይግባይ ዘሕትቱ ናይ ፍርዲ ወሳነታት እነትድኣ ሃሊዮም ኣብ መስርሕ ክንሓትት ኢና ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%88%E1%89%B5%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-48-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%88%B0%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%88%82%E1%89%A1\/6214585.html"} {"headline":"መንግስቲ ሱዳን ካብ ኢትዮጵያ ዝመጸ ኣጽዋር ምሓዙ ይገልጽ: መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ግን'ቲ ኣጽዋር ሕጋዊ'ዩ ይብል","content":"ብመሰረት ጸብጻብ ጸብጻብ ሚድያ መንግስቲ ሰበ-ስልጣን ሱዳን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ካብ ኢትዮጵያ ዝመጸ ኣጽዋር ከምዝሓዙ ኣፍሊጦም። እቲ ኣጽዋራት ብነፋሪት ገያሾ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከምዝኣተወ ዝገለጸ ኣገልግሎት ዜና ሱና ብእኡ ንብኡ መርመራ ከምዝተጀመረ ኣፍሊጡ። ንሰበ-ስልጣን ዝጠቐሰ ሱና ከም ዝሓበሮ እንተኾይኑ እቲ ኣጽዋር፡ ካብ ሩስያ ኣብ 2019 ዝተላእከን፡ ንክልተ ዓመት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሰበ-ስልጣን ተታሒዙ ዝጸንሐን`ዩ። እቲ 72 ሳጹናት ኣጽዋራትን ቢኒኮላትን ዝሓዘ ምንባሩ`ውን ሱና ይጠቅስ። ሎሚ ብዛዕባ'ቲ ዝተባህለ ኣጽዋራት መልሲ ዝሃበ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ እቲ ጽዕነት ሕጋዊን እቲ ንብረት ድማ ናይ እንስሳ መህደኒ ጠበናጁ ምዃኑን ሓቢሩ`ሎ። ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ነቲ ብረት ክሳብ ግቡእ መርመራ ዝግበረሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንነዊሕ እዋን ሒዞሞ ከምዝጸንሑ ዝገለጸ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ መርመራን ካብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ናይ መረጋገጺ ደብዳበ ድሕሪ ምርካብን ግን እቲ ናይ ሃድን ብረት ከምዝልቀቕ ተገይሩ ይብል። ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዶባተን ብዘለወን ናይ ይግብኣኒ ሕቶ ክሰሓሓባ ጸኒሐን ኣለዋ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%8C%B8-%E1%8A%A3%E1%8C%BD%E1%8B%8B%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%88%93%E1%8B%99-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%BD-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%A8%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8C%8D%E1%8A%95-%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%8C%BD%E1%8B%8B%E1%88%AD-%E1%88%95%E1%8C%8B%E1%8B%8A-%E1%8B%A9-%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%8D\/6214574.html"} {"headline":"ገዲም ኢትዮጵያዊ ስነ ጥበባዊ አለማየሁ እሸቴ ዓሪፉ","content":"ተማር ልጄ: እንዳሞራ ፡ ኣዲስ ኣበባ ቤቴ የወይን ሃረጊቱ ዝብላን ልዕሊ 300 ናይ ሙዚቃ ስራሓትን ዘፍረየ ኣለማየሁ እሸተ፡ ኣብ ታሪኽን ኣፍቀርቲ ሙዚቃ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዓቢይ ተዘክሮ ገዲፉ ዝኸይድ ዘሎ`ዩ። ኣብ መጀመርያ 60`ታት ናብ ስነ-ጥበብ ዝተጸንበረ ኣለማየሁ እሸተ፡ ንዘመናዊ ሙዚቃታት ኢትዮጵያ ናብ ልዕል ዝበለ ደረጃ ካብ ዘብጽሑ ገዳይም ሓደ`ዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብዝጻወቶ ዝነበረ ቅድታት ሙዚቃን ቁመናን ‘ ኤልቪስ ፕሪስሊ` ዝብል ቅጽል ሽም`ውን ተዋሂብዎ ኔሩ`ዩ። ንበዓልቲ ቤቱን ደቁን ንምሙጓስ “ውድ ባለ ቤቴ’ ፍትውቲ በዓልቲ ቤተይ ` ትብል ደርፉ`ውን ካብ ዝስመያ ሓንቲ`ያ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%88%E1%8B%B2%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%8C%A5%E1%89%A0%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%8A%A0%E1%88%88%E1%88%9B%E1%8B%A8%E1%88%81-%E1%8A%A5%E1%88%B8%E1%89%B4-%E1%8B%93%E1%88%AA%E1%8D%89\/6211819.html"} {"headline":"መግለጺ ኦቻ ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ ሓገዝ ክልል ትግራይ","content":"እኹልን ቀፃልነት ዘለዎን ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት፣ገንዘብን ነዳዲን ምቕራብ ብዘይምክኣሉ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ ብዝለዓለ ደረጃ ይጋደድ ምህላው ኣብ ኢትዮጵያ ተሓጋጋዚ ኣዋሃሃዲ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕ\/ሃ ግራንት ሊየቲ ኣብ ዘውፅኡዎ መግለፂ ሓቢሮም። እቲ መግለፂ 5.2 ሚሊዮን ዝግመት ህዝቢ ወይ 90 ሚእታዊት ህዝቢ ትግራይ ድሮ ዓፀቦ ኣብ ዝመስል ኩነታት ዝርከቡ 400,000 ሰባት ኣብ ዓሰርተታት ዓመታት ካብ ዘጋጠመ ናይ ዓለም ዝኸፍአ ኩነታት ዓፀቦ ንምቕልባስ ሰብኣዊ ረድኤት ብቕልጡፍ የደሊ ይብል ። ኣብ ወሰና ወሰን ከባቢታት ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን 1.7 ሚሊዮን ህዝቢ ሓዊሱ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ንጥምየት ክቃልዑ እዮም። እቲ መግለፂ በዚ ይህሰዩ ዘለው ቆልዑት፣ ነፍሰ ፁር ደቂ ኣንስትዮን ሓደሽቲ ዝወለዳ ኣዴታትን ብዘልዓለ ሕፅረት ኣመጋግባ ይሳቐዩ ኣለው ይብል። ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብፃሕ ዝክኣልን ሓፈሻዊ ኩነታት ውሑስን እንተኾነ እውን እቲ ክልል ብጭቡጥ ህይወት ኣድሕን ሰብኣዊ ረድኤት ዘይኣትዎ ኣዚዩ ዝተደረተ ዕፅው እዩ ኢሉ። ብመሰረት ዓለምለኸ ሰብኣዊ ሕጊ ኩሎም ኣብቲ ግጭት ዝዋስኡ ወገናት ቕልጡፍን ዘይተደረተን መሕለፊ ክፈቕዱ ፀዊዑ ኣሎ። እቲ መግለፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ኮሚንኬሽንን ኣገልግሎታት ባንኪን ከምኡ እውን ኣገደስቲ ናይ ንግዲ ኣቑሕት ናብ ክልል ትግራይ ምእታው ናብ ንቡር ክምልስ ብመሰረት ዓለምለኸ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ግብኡ ክዋፃእ ኣለዎ ይብል ። መንግስቲ ኢትዮጵያናይቲ ፀገም ተሓታቲ ህወሓት እዩ ብምባል ነቲ ነቐፌታ ኣይተቐበሎን። ሓላፊት ክፍሊ ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ብልለኔ ስዩም ትማሊ ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ ንዝተፈጠረ ፀገም ተሓታቲ ህወሓት እዩ ኢለን። ብልለኔ ስዩም \"ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ውፅኢታዊን ቕልጡፍን ንምግባር ካብ ሸውዓተ መፈተሺ ኖቕጣታት ናብ ሰለስተ ወሪዱ እዩ’’ኢለን። ኣስዒበን ድማ \"ኣብቲ ከባቢ ክሳብ ሕጂ ብህወሓት ናይ ምትንዃይ ምንቅስቓስ ኣሎ።እዚ ድማ ሰ ብኣዊ ሓገዝ ንዘቕርቡ ከቢድ ይገብሮ።ስለዝኾነ ተፅዕኖ ክግበር እንተኾይኑ ከምኡ እውን ሕቶታት ክልዓል ዘለዎ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይበፅሕን ፈታኒ ክኸውን ንዝገበሩን ኣካላት እዩ ክቐርብ ዘለዎ’’ ኢለን ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%A6%E1%89%BB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/6211655.html"} {"headline":"ኩነታት ኣብ ከተማ ካይሮ ን9 ዓመታት ዝተአሰሩ ኤርትራዊያን ንምፍትሖም ዝካየድ ምንቅስቃስን","content":" ኩነታት ኣብ ካይሮ ግብጺ ንልዕሊ 9- ዓመታት ዝተኣስሩ ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት: ከምኡ'ዉን ንዓኣቶም ንምፍታሕ ምንቅስቃስ ዝገብሩ ዘለውን ርእይቶ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ብዝምልከት ዝተዳለወ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ካብ ዝርከብ ኤምባሲ ግብጺ ምላሽ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ግን አይሰለጠን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%88%AE-%E1%8A%959-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%A0%E1%88%B0%E1%88%A9-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%96%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%B5%E1%89%83%E1%88%B5%E1%8A%95\/6210321.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤንሻንጉል ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ 50 ደቂ ኣንስትዮ ምቕታለን ተሓቢሩ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ወረዳ በሎ ጀገንፎይ ዕጡቓት 24ን 25 ነሓሰ 2013 ዓ\\ም ፈፂሞምዎ ብዝተባህለ መጥቓዕቲ ልዕሊ 50 ደቂ ኣንስትዮ ከምዝተቐትላ ፖሊስ ገሊፁ። ምኽትል ፖሊስ ኮሚሽነር ናይቲ ክልል ምስጋናው ኢንጂፈታ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ናይ ጉሙዝ ህዝብታት ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ \\ጉህዴን\\ ናይ ዝተባህለ ፖለቲካዊ ውድብ ዕጡቓት ደዴሳ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንልዕሊ ሓምሳ ሰባት ‘’ብጅምላ’’ ቀቲሎም ኢሎም። ንሶም እቲ ውድብ ሰላማቂ ቓልሲ ገዲፉ ብዕጥቒ ተወዲቡ መጥቓዕቲ ይፍፅም ከምዘሎ ብምግላጽ ሕጂ ኣቦ ዞባ መተከል ከምኡ እውን ናብ ካማሺ ኣትዩ ኣሎ ኢሎም። ኣብ ደዴሳ ማሕበረሰብ ጉምዝ ከምዝርከቡ ዝገለፁ ምኽትል ፖሊስ ኮሚሽነር ምስጋናው ኢንጂፈታ እቲ ቅትለት እውን ብዘሕዝን ኩነታት ኣብ ልዕሊኦም እዩ ዝፍፀም ዘሎ ኢሎም። \"ኣብቲ ከባቢ ብስፍሓት ዝርከብ ሚዲያ ናይ ምርካብ ዕድል የብሉን፣ፌስቡክ ናይ ምጥቃም ዕድል የብሎምን።ትማልን ብቕድሚ ትማሊን ጠቢብ ወይ ቡዳ ብዝብል ንደቂ ኣንስትዮ ብምፍላይ ንልዕሊ ሓምሳ ደቂ ኣንስትዮን ዝተወሰኑ ደቂ ተባዕቲዮን ረሺኖም ኣለው።ንማሕበረሰብ ጉምዝ ማለት እዩ።ዝወረደ ጉዳኣት ንምፍላጥ ተወሳኺ ሓይሊ ንሓትት ኢና ዘለና\" ኢሎም። ኣብ ሓሙሽተ ወረዳታት ዞባ ካማሺ መጥቓዕቲ ብምፍፃም ኣብ ልዕሊ ስቪላትን ሓይልታት ፀጥታ መንግስትን ብዙሕ ጉድኣት የውርዱ ኣለው ኢሎም። እቶም ዕጡቓት ብሱዳን ይድገፉ ኣለው ዝበሉ እቶም ምኽትል ኮሚሽነር እቲ ኩነታት ካብ ናይቲ ክልል ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ንላዕሊ ይኾኑ ስለዘለው ፌደራል መንግስቲ ሓገዝ ክገብር ኣለዎ ኢሎም። ካብ ፖሊስ ፌደራል መልሲ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን። ናይቲ ክልል መንግስቲ ዝተኸሰሱ ኣካላት ካብ ሱዳን ሓዊሱ መልሲ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይተዓወተን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%A4%E1%8A%95%E1%88%BB%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%8D-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%98-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-50-%E1%8B%B0%E1%89%82-%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AE-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%B3%E1%88%88%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6198979.html"} {"headline":"ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃን ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ምዝርራቦም ተገሊጹ","content":"ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ጀፍሪ ፈልትማን፡ ንጉዳይ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ምስ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረዝ ትማሊ መስከረም 1,2021 ከም ዝተዘራረቡ ተፈሊጡ። ኵላቶም ወገናት ተጻብኦ ኣቋሪጾም ኣብ መኣዲ ዘተ ክቐርቡን ንሰብኣዊ ሓገዝ ዘይተገደበ ኣፍደገ ክፈቕዱን ፈልትማን ከም ዘተሓሳሰቡ ኣብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣፍሪቃ ዝተዘርግሐ ናይ ትዊተር መልኽእቲ ኣፍሊጡ። ንርክብ ክልተ ሰብ-መዚ ኣመልኪቱ ተወሳኺ ሓበሬታ ምስ ዝወጽእ ከነስዕበልኩም ኢና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%8D%E1%88%89%E1%8B%AD-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%89%80%E1%88%AD%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83%E1%8A%95-%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%8A-%E1%88%95-%E1%88%83%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%88%AB%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6198698.html"} {"headline":"ፈሪሱ ዝነበረ ድልድል ተከዘ ተጸጊኑ ኣገልግሎት ምሃብ ምጅማሩ ተገሊጹ","content":"ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ፈሪሱ ዝነበረ ድልድል ተከዘ፡ ተጸጊኑ ኣገልግሎት ምሃብ ምጅማሩ፡ ቢሮ ኮንስትራክሽን መጓዓዝያን ክልል ትግራይ ገሊጹ። እቲ ቢሮ ከም ዝገለጾ ንከተማ ሽረ እንዳ ስላሴ ምስ ከተማ ማይጸብሪ ዘራኽብ መስመር ብዓቕሚ ትካላት እቲ ክልልን ህዝቢን ከም ዝተሃነጸ ኣፍሊጡ ኣሎ። ድልድል ተከዘ ብመን ከም ዝፈረሰ ክልቲኦም ወገናት ክካሰሱ ምጽናሖም ይዝከር። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%88%E1%88%AA%E1%88%B1-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%8B%B5%E1%88%8D%E1%8B%B5%E1%88%8D-%E1%89%B0%E1%8A%A8%E1%8B%98-%E1%89%B0%E1%8C%B8%E1%8C%8A%E1%8A%91-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%83%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8C%85%E1%88%9B%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6195440.html"} {"headline":"ወሃቢ ቃል ህወሓት ንክስታት ዳይሬክተር USAID ኣብ ኢትዮጵያ ነጺግዎ","content":"ዳይሬክተር ትካል ሓገዝ ስግር ባሕሪ ኣሜሪካ (ዩኤስኤኣይዲ) ኣብ ኢትዮጵያ ሻን ጆንስ \"ዕጡቃት ህወሓት፣ አብ ክልል ኣምሓራ ንዝርከቡ መኻዚኖታት ረድኤት ዘሪፎም\" ክብሉ ንዝሃብዎ መግለጺ፣ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ነጺግዎ።\"እቲ ኩነታት ከምዝጻረ’ውን\" ገሊጹ። አቶ ጌታቸው ረዳ \"ተወካሊ ዩኤስኤኣይዲ አብ ኢትዮጵያ ሻን ጆንስ ኣብቲ ሰራዊትና ዝንቀሳቀሰሉ ዘሎ ዞባታት ክልል ኣምሓራ ዝርከብ መኽዘናት ትካል ረድኤት ስግር ባሕሪ ኣሜሪካ (ዩኤስኤኣይዲ) ከም እተዘምተ እተዛረቦ ብዙሕ ሳሓቦ ጉተቶ ዘበገሰ ይመስል። ሻን ጆንስ ንህወሓት 'ንኣጋጣሚታት' ኸም ዝጥቀም ገይሩ ዋላ’ውን እንተ ወቐሶ እንታይ ማለቱ ከምዝኾነ ትርጕሙ ብዘየገድስ፣ ሓይልታትና እዮም ነቲ ይዝረበሉ ዘሎ ሰርቂ ፈጺሞሞ ኢሉ መሊኡ ኣይወቐሰን\" ይብል። \"ብዙሓት ሰበ-ስልጣን ዩኤስኤኣይዲ\" ይብል ኣቶ ጌታቸው \"አብ ሞንጎ እቲ ገበናዊ ዝበሎ ምምሕዳር ቀ\/ሚ ኣቡዪን ሓይልታት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን፣ ናይ ገበን ምምስሳል ንክፍጠር ጸቅጢ ይበጽሖም ከምዘሎ ይርዳኣና እዩ፣ እንተኾነ፣ከም’ዚ ዓይነት ጸወታ ረባሒ ኣይኮነን\" ይብል ። \"መርገጺና ንጹር እዩ\"ዝበለ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝጻሓፎ ትዊተር \"ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዳያት እቶም ካብ መስመር ወጻኢ ዘለዉ ተዋጋእቲ ዜርእይዎ ተቐባልነት ዘይብሉ ኩሉ ዓይነታት ባህሪ ክነረጋግጽ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፣ እቲ ዝተባህለ ዘረፋ መኽዘናት፣ ብቐንዱ በቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ውልቀ-ሰባትን ጕጅለታት ከምዝተዋደደ ዝሕብሩ ጭብጢታት ኣሎና። መርገጺና፣ እዚ ጕዳይ እዚ ብናጻ ኣካል መጻረዪ ክንንጽሮ ኢና\" ኢሉ። ተወካሊ ዩኤስኤኣይዲ ጨንፈር ኢትዮጵያ ሻን ጆንስ \"ህወሓት ኣብ ዝኣተወሎም ዞባታት ክልል ኣምሓራ፣ ንመኻዚኖታት ዘሪፉ፣ ናይ ጽዕነት መካይን ወሲዱ፣ ከቢድ ጉድኣት ኣውሪዶም። እዚ ንሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤት ኣዝዩ ዘተሓሳሳስብ እዩ። ኣብ’ቲ ትሸዓተ ኣዋርሕ ዘቁጸረ ውግእ፣ ሰራሕተኛታት ረድኤት ካብ ክልላት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ህይወቶም ንምድሓን ክብሉ ሃዲሞም እዮም። ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ክወድቅ ከሎ ወይ ስርቂ ክፍጸም፣ ህንጻታቶም ክዝረፍ ወይ ክቃጸል ከሎ ጥራሕ እዮም ዝወጹ። ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ትሸዓተ ኣዋርሕ ብዘሕዝን ኣገባብ፣ ኣስታት 15 ሰራሕተኛታት ረድኤት ዝሞቱ ይመስለኒ። ህወሓት፣ ንኣጋጣሚታት ንናይ ገዛእ ባዕሉ ረብሓ ዘውዕል ዘሎ ኮይኑ ይስመዓኒ፣ ምናልባት ካብ ዜጋታት ይሰርቁ ኣለው፣ ከምኡ ንምባል ግና ጭቡጥ መርተዖ የብለይን፣ ንሕና ዘሎና ጭብጢ፣ ብፍላይ ሰራዊት ህወሓት ኣብ ዝኣተውሎም ዞባታት ክልል ኣምሓራ፣ ብርክት ዝበሉ መኻዚኖታት ጥርሖም ተሪፎም እዮም። እዚ ሓቂ ምዃኑ ፈሊጥና ኣለና\" ከምዝበለ እቲ ዜና ይሕብር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A2-%E1%89%83%E1%88%8D-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%B3%E1%8B%AD%E1%88%AC%E1%8A%AD%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8B%A9-%E1%8A%A4%E1%88%B5-%E1%8A%A4-%E1%8A%A3%E1%8B%AD-%E1%8B%B2-%E1%8A%90%E1%8C%BA%E1%8C%8D%E1%8B%8E\/6193057.html"} {"headline":"ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ሶማሌ: ሃረሪን ደቡብ ኦሞን ዝካየድ ምርጫ ምዝገባ ምጅማሩ ገሊጹ","content":"ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ሶማልን ሃረሪን ከምኡ`ውን ኣብ ደቡብ ዞባ ኦሞ፡ ኣብዚ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ንዝካየድ ምርጫ፡ ናይ መረጽቲ ምዝገባ ምጅማሩ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ምርጫ ዝበዝሐ መራጽን ተወዳዳርን ኣብ ዝርከበሉ ክልል ሶማሌ ዝወዳደር ፓርቲ ኢዜማ፡ ኣብ ልዕሊ ቦርድ ምርጫ ቕረትኡ ኣስሚዑ`ሎ። ፓርቲ ማሕበራዊ ፍትሒ-ኢዜማ፡ ሓዲሽ ካርድ ምርጫ ክሕተም፡ ኣፈጸምቲ ምርጫ ገለልተኛ ክኾኑ፡ ከምኡ ክልተ ተወሰኽቲ መደበራት ምርጫ ክውሰኹ ዝብሉ ሸሞንተ ቅረታታት ኣቕሪቡ`ሎ። ቦርድ ምርጫ ብወገኑ እቶም ቅረታታት ኣቐዲሞም ከምዘይበጽሕዎ ኣፍሊጡ`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%89%A6%E1%88%AD%E1%8B%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8C-%E1%88%83%E1%88%A8%E1%88%AA%E1%8A%95-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8A%A6%E1%88%9E%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%89%A3-%E1%88%9D%E1%8C%85%E1%88%9B%E1%88%A9-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6081969.html"} {"headline":"ኢትዮጵያዊያን ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም ሕቡራት መንግስታት ኣብ ሱዳን ዕቑባ ሓቲቶም","content":"ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ይፍፀም ኣሎ ብዝበሉዎ ናይ ማእሰርቲ፣ ምንክልባትን ካልኦትን መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላትን ምኽኒያት ናብ ኢትዮጵያ ኣይንምለስኑ ዝበሉ ኣብ ደቡብ ሱዳን 126 ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም ሕቡራት መንግስታት ዕቑባ ከምዝሓተቱ ንቪኦኤ ገሊፆም። ቅድሚ ሎሚ ተደጋጋሚ መብርሂ ስለዝተውሃቦ መልሲ ከምዘይህቡ ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮ\\ል ጌትነት አዳነ ገሊፆም።ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ማእኸል ምኽባር ሰላም፣ደቡብ ሱዳንን ጀኔቭን ካብ ዝርከቡ ኣብያተ ፅሕፈት UNHCR መልሲ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰለጠን። ኮለኔል ገብረመድህን መስፍን ናይ መበል 13 ዙሪያ ልኡኽ ሬጅምነት ኦፕረሽን ምኽትል ኣዛዚ ብምዃን ናብ ደቡብ ሱዳን ምኽባር ሰላም 15 ጥሪ 2012 ዓ\\ም ከምዝተዋፈሩ ይገልፁ።ናብ ደቡብ ሱዳን ዝተዋፈርና ተወለድቲ ትግራይ ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ኩሉ ተፅዕኖታት ክኢልና ናይ ሕቡራት መንግስታት ልኡኽን ደልየት ደቡብ ሱዳንን ኣማሊእና ፅቡቕ ሰሪሕና ይብሉ። ብዙሕ ተፃዊርና ልኡኽና ፈፂምና ዝበሉ ንሶም ‘’ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዘጋጠመ ቅልውላውን ኣብ ትግራይ ምስ ዝተፈፀመ ምጥፋእ ዘርእን ጁንታ፣ትህነግ እናበሉ ይፅውዑና ነይሮም ብዙሕ ፀገም ኣሕሊፍና’’ ኢሎም ኮለኔል ገብረመድህን። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ወታደራዊ ቤት ፍርዲ ምስ ህወሓት ሓቢርኩም ሰሪሕኹም ብዝብል ክስ ኣብ ልዕሊ 10 ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሸሞንተ ክሳብ 18 ዓመት ማእሰርቲ ፈሪዱዎም።ካልኦት 150 ኣባላት ሰራዊት እውን ጉዳዮም ተፃሪዩ ምስተወድአ ናብ ፍርዲ ከምዝቐርቡ ምፅብፃብና ይዝከር። ኣብ ደቡብ ሱዳን ን19 ኣዋርሕ ኣብ ምዕቃብ ሰላም ከምዘገልገሉ ዝገለፁ ኮለኔል ገብረመድህን ተልእኹኦም ወዲኦም ናብ ኢትዮጵያ ንዘይምምላስ ከምዝወሰኑ ሓቢሮም። ላዕለዎት መኮነናት ሓዊሱ ተጋሩ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝተኣሰሩን ልኡኽቶም ወዲኦም ዝተመለሱ ኣባላት ሰራዊት ሓዊሱ ኣበይ ከምዘለው ከምዘይፍለጥን ብምሕባር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝወረደ ዝበሉዎ ግፍዒ ኣብ ግምት ብምእታው ናብ ኢትዮጵያ ንምምላስ ከምዘይደለዩ ሓቢሮም። ካብ 154 ተወልደቲ ትግራይ ኣባላት ዓቃቢ ሰላም እቶም 126 ዕቑባ ከምዝሓተቱን 25ቲኦም ግን ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተመለሱን ኮሎኔል ገብረመድህን ገሊፆም። ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተውሃበኩም ዝለዓለ ተልእኾ ንሃገርኩም ክሒድኩም ንዝብልኹም መልስኹም እንታይ እዩ ዝብል ተሓቲቶም ኮለኔል ገብረመድህን ንሕና ከይኮናስ መንግስቲ እዩ ከዲዑና ይብ እቶም ሓተቲ ዕቑባ ንዘቕረቡዎም ክስታት ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮለኔል ጌትነት ኣዳነ ኣብቲ ጉዳይ ቅድሚ ሎሚ ተደጋጋሚ መብርሂ ከምዝተውሃቦ ብምግላፅ ‘’ንሳቶም ውግእ ዝኸፈቱ ካብ ውሽጥን ወፃእን ስለዝኾነ እቶም ዝምለሱ ከምዘለው ኮይኑ ብኡ ግዳያት ኮይኖም ዝተርፉ ሰባት ክህልው እዮም።ግን ብዛዕባ እዚ ዝርዝር መብርሂ ዝህብን ዝከታተሎም ናይ መከላኸሊ ኣካል ማእኸል ምኽባር ሰላም ስለዘሎ ናቱ ሓላፊ መልሲ ክህብ ንገብር ኢና’’ ኢሎም። ናብ ኣተሓባባሪ ናይቲ ማእኸል ብርጋዴር ጀነራል መኮነን ተደጋጋሚ ደዊልና መልሲ ኣይረኸብናን። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት 15 ተወለድቲ ትግራይ ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም ሕቡራት መንግስታት ‘’ናይቲ ጁንታ ተለኣኣኽቲ ኢኹም’’ እናበሉ ስለዘንከላብቱናን ቅድም ክብል ተልእኹኦም ወዲኦም ዝተመለሱ ኣባላት ሰራዊት ኣበይ ከምዝኣተወ ስለ ዘይንፈልጥ ኣይንምለስን ኢሎም ኣብ ጁባ መዕረፎ ነፈርቲ ዕግርግር ተፈጢሩ ዕቑባ ምሕታቶም ፀብፂብና ነይርና። ኣብቲ እውን ሓልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብዛዕብኦም መግለፂ ሂቡ ነይሩ። ‘’ኣብ ጁባ ተመዲቦም ካብ ዝነበሩ ፃኒሕቶም ወዲኦም ካሊእ ናይ ሰላም ሓይሊ ኣብ ምቕያር ካብ መንጎ ዝነበሩ 15 ተግርኛ ተዛረብቲ ኣባላት ሰራዊት ናይቲ ጁንታ ተለኧኽቲ ናብ ሃገሮም ኣይንምለስን ብምባሎም ኣብ ጁባ መዕረፎ ነፈርቲ ህውከት ንምፍጣር ፈቲኖም’’ ኢሎም ናይ ሓልታት ምክልኻል ዋና ዳይረክተር ኢንዶክትሪነሽን ሜጀር ጀነራል መሓመድ ተሰማ ኣብ ፌስቡክ ገፅ ሓልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ዝወፀ ዜና።እዞም ናይቲ ጁንታ ‘’ዕሱባት’’ ክብሉ ብምፅዋዕ ፅቡቕ ሽም ሰራዊትን ሃገርን ኣፀሊሞም ክብሉ ኸሲሶምዎ ነይሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::​ No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopian-un-peacekeeping-soldiers-in-south-sudan-sought-asylum\/6081839.html"} {"headline":"\" ህወሓት ኣብ ዝኣተውዎ ከባብታት ክልል ኣምሓራ ዝነበረ ብርክት ዝበለ መኻዚኖታትና ከም ዝዘመትዎ መረጋገጺ ኣለና \" ዳይሬክተር  ዩኤስኤኣይዲ  ኣብ ኢትዮጵያ","content":" \" ህወሓት ኣብ ዝኣተውዎ ከባብታት ክልል ኣምሓራ ዝነበረ ብርክት ዝበለ መኻዚኖታትና ከም ዝዘመትዎን ምሉእ ንምሉእ ጥርሑ ከምዘትረፍዎን መረጋገጺ ኣለና \" ክብል ዳይሬክተር ትካል ሓገዝ ስግር ባሕሪ ኣሜሪካ (ዩኤስኤኣይዲ) ኣብ ኢትዮጵያ ምግላጹ ሮይተርስ ሓቢሩ:: ንባዕሎም ሰራዊት ምክልኻል ትግራይ ኢሎም ዝጽውዑ፡ መንግስቲ ግን ኣሸበርቲ ዝብሎም ዕጡቓት፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንመኻዚኖታት ትካል ረድኤት መንግስቲ ኣመሪካ ከምዝዘረፉ ኣብ ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ዩኤስኤኣይዲ ሻን ጆንስ ኣፍሊጡ። ሮይተርስ ከምዝሓበሮ እቲ ዳይሬክተር ዩኤስኤኣይዲ፡ ምስ መንግስታዊ ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ \"ህወሓት ኣብ ዝኣተውዎ ከባብታት ክልል ኣምሓራ ዝነበረ ብርክት ዝበለ መኻዚኖታትና ከም ዝዘመትዎን ምሉእ ንምሉእ ጥርሑ ከምዘትረፍዎን መረጋገጺ ኣለና \" ኢሉ። \"ከም እምነተይ፡ ህወሓት ኣዝዩ በለጸኛ ኮይኑ ጸኒሑ`ሎ\"። ሮይተርስ ብዛዕባ'ዚ ካብ ህወሓት ኮነ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ርእይቶኣይተረኽበን ይብል ። \" ኣብ ሰብኣዊ ረድኤት ኢድ ምእታው ኮነ ምስራቕ ቅቡል ኣይኮነን ዝበለ ወሃቢ ቓል ዩኤስኤኣይዲ​፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኩናት ካብ ዝጅምር ብኩሎም ወገናት ናይ ምዝራፍ ኣብነታት ርኢና ኢና\" ኢሉ። ኣብ ክልል ትግራይ ኣስታት 900 ሺሕ ዝኾኑ ኣብ ኩነታት ዓጸቦ ዝርከቡ ክኾኑ ኸለዉ፡ ሓሙሽተ ሚልየን ካልኦት ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጽበዩ ምዃኖም ዩኤስኤኣይዲ​ይግምት::","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%8B%8D%E1%8B%8E-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%8A%AD%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8A%BB%E1%8B%9A%E1%8A%96%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%93-%E1%8A%A8%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8B%98%E1%88%98%E1%89%B5%E1%8B%8E%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%89%E1%8A%A5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%89%E1%8A%A5-%E1%8C%A5%E1%88%AD%E1%88%91-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%89%B5%E1%88%A8%E1%8D%8D%E1%8B%8E%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%88%A8%E1%8C%8B%E1%8C%88%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8A%93-%E1%8B%B3%E1%8B%AD%E1%88%AC%E1%8A%AD%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8B%A9%E1%8A%A4%E1%88%B5%E1%8A%A4%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/6081957.html"} {"headline":"ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓድሽ መንግስቲ መስከረም 24,2014 ከምዝምስረት ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ 24 መስከረም 2014 ሓዱሽ መንግስቲ ከምዝምስረት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ገሊፁ። ብመሰረት መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ምስረታ መንግስቲ ምኽኒያት ብምግባር ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ናይ መወዳእታ ሶኑይ ወርሒ መስከረም መንግስቲ ክምስረት እዩ።እቲ ዜና ብመሰረት ውፅኢት 14 ሰነ 2013 ዝተኻየደ ምርጫ መንግስቲ ንምምስራት ዘኽእል ሕጋዊ ኣካይዳ ኣሎ ኢሎም ይብል ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ኣብ ክልል ትግራይ: ክልል ሶማሌ፣ ብዙሓት ከባቢታት ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝን ምርጫ ኣይተኻየደን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8B%88%E1%8A%A8%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%8A%A8%E1%88%A8%E1%88%9D-24-2014-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6080809.html"} {"headline":"ቁጽሪ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ደሴን ኮምበልቻን ዝበጽሑ ተመዛበልቲ 180 ሽሕ ምብጽሑ ተሓቢሩ","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ደሴ ወሎ ግንባር ይካየድ ብዘሎ ኵናት ኣብ ደሴን ኮምበልቻን ዝኣተው ቁጽሪ ተመዛበልቲ ልዕሊ180 ሽሕ ከምዝበፅሐ ተፈሊጡ። ምምሕዳር ከተማ ደሴ ዓለምለኸ ትካላት ረድኤት ንተመዛበልቲ ዝሃቡዎ ጠመተ ውሑድ እዩ ክብል ወቒሱ ኣሎ። እቲ ምዝንባል ነበርቲ ካብ ዝጅምር ቅድሚ ሰለስተ ሰሙናት ምምሕዳር ከተማ ደሴ ንተመዛበልቲ መግቢ፣መፅለሊን ካልኦት ናውትን ንምሕጋዝ ፃዕሪ ከምዝገበረ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ እታ ከተማ ሰይድ እሸቱ ገሊፆም። ካብ ወልዲያ ድሕሪ ናይ ሰለስተ መዓልታትጉዕዞ እግሪ ደሴ ዝኣተው ፈንታው ጌታቸው ስልክን ኢንቴርኔትን ብምቁራፁ ብዛዕባ ድሕነት ስድርኦም ንምፍላጥ ከምዘይክኣሉ ይሕብር::","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%88%AA%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A2%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8B%B0%E1%88%B4%E1%8A%95-%E1%8A%AE%E1%88%9D%E1%89%A0%E1%88%8D%E1%89%BB%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%8C%BD%E1%88%91-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%8D%E1%89%B2-180-%E1%88%BD%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%88%91-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6080711.html"} {"headline":"ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለየ ክልላት'ታ ሃገር ዝረአ መግሃስታት መሰላት ከምዘተሓሳሰቦ ገሊጹ","content":"ናይ ኢትዮጵያ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት \\ኢሰመጉ\\ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት እታ ሃገር ይፍፀም ዘሎ መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተሓሳሰቦ ገሊፁ።እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ዝፍፀሙ መጥቓዕትታት፣ ቕትለት፣ ምምዝባልን ምትዕንቃፍ ቀረባት መሰረተ ልምዓትን ኣብ ብርክት ዝበሉ ክልላት ይርኣዩ ኣለው ኢሉ። ኢሰመጉ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ኣብ ሓሙሽተ ክልላት ኣብ ዘካየዶ ናይ መጀመሪያ ዳህሳስ መፅናዕቲ ውፅኢቱ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።እቲ ትካል ወሲኹ ኣብታ ሃገር ሰላም ክሰፍንን ናይ ዜጋታት ሰብኣዊ መሰላት ክኽበርን መንግስቲ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ኩሎም ዜጋታትን ካብኦም ትፅቢት ዝግበር ክፍፅሙ ፃውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%89%E1%89%A3%E1%8A%A4-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A8-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%8A%A0-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%83%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%B3%E1%88%B0%E1%89%A6-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6079258.html"} {"headline":"ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ኣብ ምርግጋጽ ውሕስነት መኣዛዊ መግቢ ዘተኮረ ስራሕ ይሰርሕ","content":"ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ኩሉ መዳያዊ ውሕስነት መኣዛዊ መግቢ ንምርግጋጽ ዝተፈላለዩ ሞያውያን ዝሓቖፈ ሃገራዊ ሽማግለ ባህርያዊ ድኹዒን መከላኸሊ ባልዓት ቡቕልን ኣቑሙ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ። እቲ ብሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕርን ካልኦት መሻርኽትን ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት፡ ባህርያዊ ጸጋታት ባሕርን መሬትን ተጠቂምካ ልዑልን ጥዑይን ምህርቲ ብምስሳን ውሕስነት መኣዛዊ መግቢ ምርግጋጽ ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣቦ መንበር ናይ’ታ ሽማግለ መንእሰይ ደርማስ ስልጣን ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቡ። ሓረስታይ ብቐረባ ኣብ ከባቢኡ ብዝረኽቦም ኣብ መግብን እንስሳን ዘይውዕሉ ኣትኽልቲ፡ጻህያይን ተረፈ ምህርቲ ዓሳታትን ተጠቂሙ ብንኡስ ዓቕሙ ኣብ ውሑዳት መዓልታት በምምስራሕ ተጠቃሚ ዝገብር ሓዲሽ ተክኖሎጂ ከምዝኾነ ጠርናፊ ናይ ጉጅለ ባህርያዊ ድኹዒ ዮሴፍ ተወልደ ገሊጹ'ሎ። እቲ ብመልክዕ ፈሳስን ድሩቕን ዝዳሎ ባህርያዊ ድኹዒ ንኩሎም ኣትኽልቲ ከምዘገልግል ኣባላት ናይታ ጉጅለ የረድኡ። ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%88%95%E1%88%AD%E1%88%BB-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%8C%8B%E1%8C%BD-%E1%8B%8D%E1%88%95%E1%88%B5%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%A3%E1%8B%9B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8B%98%E1%89%B0%E1%8A%AE%E1%88%A8-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8B%AD%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%88%95\/6078991.html"} {"headline":"ስነ ስርዓት ቀብሪ ገዲም ስነጥበበኛ ተኽልንኪኤል ገብሩ ተፈጺሙ","content":"ስነ-ስርዓት ቀብሪ ገዲም ስነጥበበኛ ተኽልንኪኤል ገብሩ(ወዲ ገብሩ) ሎሚ 27 ነሓሰ ፍርቂ መዓልቲ ስድራቤቱ፡መሳርሕቱን ፈተውቱን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ መካነ መቃብር ሓርበኛታት ተፈጺሙ`ሎ ። ወድ-ገብሩ ትማሊ ሓሙስ ኣብ መበል 71 ዕድሚኡ ብሃንደበታዊ ሕማም ምዕራፉ ተገሊጹ`ሎ። ንፈለማ ግዜ ኣብ መጀመርያ 70`ታት ናብ ባንድ ቬኑስ ተጸንቢሩ ናይ ገዛእ ርእሱ ደርፍታት ከፍሪ ዝጀመረ ወዲ ገብሩ ብባህላዊ ዜማታት ጓይላ፡ ደጉዓን እስታሊላዊ ህርመታትን ኣብ ልቢ ኣፈቀርቲ ሙዚቃ ክኣቱ ግዜ ኣይወሰደን። ኣብዚ ግዜ`ዚ`ዩ ኸኣ እነሆልካ ሩባ ዓንሰባን መሬት ዓርኮብኮባይን ዝብላ ደርፍታቱ ልቢ መንእሰያት ኤርትራ ሰሊቡ ናብ ሃገራዊ ቓልሲ ክውሕዙ ዓቢይ ተራ ተጻዊቱ ይብል ዝተነበ ታሪኽ ህይወቱ። ኣብ 1974 ነቲ ብደርፍታቱ ክሳተፎ ዝጸንሐ ሓርነታዊ ቓልሲ ብኣካል ንምጽንባር ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ተኽልንኪኤል ገብሩ፡ ክሳብ ሕጂ፡ ብግዜ ተፈቲኖም ዘይሃሱ ጽባቐ ዘንጸባርቑ፡ ኣማኢት ደርፍታት ቕድሚ ሜዳ፡ ኣብ ሜዳ፡ ኣብ ስደትን ድሕሪ ናጽነትን ኣብ ኩሉ መድረኻት ረዘንቲ ስርሓት ዘበርከተ ኣርካን`ዩ ይብል ታሪኽ ህይወቱ። ወዲ-ገብሩ፡ “ኣታ በዓል ገመል ተሰካሚ ጸባ ኦኖሆልካ ሩባ ዓንሰባ፡ እቑርደት ተሰነይ መሬት ዓርኮብኮባይ ዓካተይ በሊዐ ምስ ሰተኹ ጸባይ፡ ኣባ-ጉምባሕ በረኻ ኣብ ሳሕል ኣብ ባርካ እንታይ ርኢኻ፡ ወረጦ ወረጦ ንሞያኺ መን`ሞ ይፈልጦ፡ ዝብላ ደርፍታቱ ገለ ካብቶም ኣብ ልቢ ኣፍቀርቲ ዘይሃሱ ደርፍታቱ`ዮም። ወድ-ገብሩ ኣቦ 8ተ ቆልዑ`ዩ። ምሉእ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6018875.html"} {"headline":"ወታደራዊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ን10 ወታደራት ብማእሰርቲ ቀፂዑ","content":"ወታደራዊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ምስ ህወሓት ሰሪሕኹም ብዝብል ክሲ ኣብ ልዕሊ 10 ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሸሞንተ ክሳብ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ፅኑዕማ ማእሰርቲ ዝበፅሕ ፈሪዱዎም። ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ናይ ደቡብ እዚ ወታደራዊ ቤት ፍርዲ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ልዕሊ 10 ተኸሰስቲ ብይን ሂቡ ኣሎ። እቲ ወታደራዊ ቤት ፍርዲ ዓቀብቲ ሕጊ ዘቕረቦ ናይ ፍርዲ ውሳነ ሓሳብ ነቲ መጋባእያ ኣቕሪቡ ንናይ ጠበቓታት ናይ ውሳነ መቕለሊ ሓሳብ ምስ ሰምዐ እዩ ነቲ ውሳነ ሂቡ። በዚ መሰረት ኣብ ልዕሊ ሓልቓ ሓምሳ መብራህቱ ጥላየ በርሀ ናይ 18 ዓመት፣ሓልቓ ሽሕ ባሻ ክፍለ ካሕሳይ ናይ 17 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ወሲኑ ኣሎ።ኣብ ልዕሊ ኮሎኔል ክፍለ ፍስሃየ ናይ 14 ዓመትን ክልተ ሽሕ ብር መቕፃዕትን፣ኣብ ልዕሊ ወታደር መኮነን ክንፈ ናይ 13 ዓመት፣ሓለቓ ሓምሳ ፈረደ 11 ዓመትንሰለስተ ኣዋርሕን፣ምኽትል ሓለቓ ዓሰርተ ኣሰፋ ሓጎስ 11 ዓመት፣ ሓልቓ ዓሰርተ ክፍለ ንጉስ ገብረገርግስ ትሽዓተ ዓመት ተፈሪዱዎም ኣሎ። ኮሎኔል ካሱ ሃፍቱ 11 ዓመት፣ኮሎኔል ሓጎስ ሸሞንተ ዓመት ሌቴናል ኮሎኔል ሃይላይ ገብሩ 10 ዓመትን ክልተ ኣዋርሕን ማእሰርቲ ተፈሪዱዎም ኣሎ። እቶም ተኸሰስቲ ዝተፈላለዩ ምስጥራዊ ሰነዳት ንፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ኣሕሊፎም ብምሃብ፣ምስጥራዊ ጉጅለ ብምውዳብን መሳርሕቲታት ብምብልሻውን ብካልኦት ክስታትን ከምዝተፈረዶም ኣብቲ መጋባእታ ተገሊፁ። ዝተውሃቦም ተልእኾ ናብ ጎኒ ብግዳፍ ሕቡእ ኣጀንዳ ንምፍፃም ዘኽእሎም ኣካይዳ ብምትኳር ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ‘’ወታደራት ብልፅግና’’ እናተዓወቱ እዮም ዝብል ሽብር ይነዝሑ ምንባሮም ጥፍኣተኛ ገይሩዎም ኣሎ። መራሒ ጉጅለ ክፍሊ ፍትሒ ደቡብ እዝ ሓለቓ ሽሕ ፀሃይ ምንዳ ድሕሪ እቲ መጋባእያ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ ቃልላዕለዎት መኮነናት ሓዊሱ መስመራዊ መኮነናትን ሰብ ካሊእ ማዕረግን ነቲ ሰራዊት ንምጉዳእ ይሰርሑ ነይሮም ኢሎም።ምስ ኦነግ ሸኔ ዝነበረ ርክብ ሎሚ ዝተፈጠረ ከይኮነስ ቅድም ክብል ካብ 2010 ዓ\\ም ጀሚሩ እቲ እዚ ንሸኔ ንምጥፋእ ኣብ ተልእኾ እናሃለወ ምስ ሸኔ ብምርኻብ ዝተፈላልየ ረብሓ እናተቐበሉ ነቲ ሰራዊ የውቅቕዑ ዝነበሩ ከምኡ እውም ነቲ ጁንታ ይድግፉ ዝነበሩ በቲ ፍርዲ ጥፍኣተኛ ገይርናዮም ኣለና ኢሎም። ‘’ዝበሰለ መረዳእታ ብምትእኽኻብ እቶም ጥፍኣተኛታት ኣብ ኣደባባይ ብፍርዲ ክቕፅዑ ገይርናዮም ኣለና’’ ኢሎም። ናይ ተኸሰስቲ ተበቓ ዓለቓ ምእቲ እምሩ ጫለ ይግባይ ዘሕትት ፍርዲ እንተሃሊዩ ኣብ ከይዲ ክንሓትት ኢና ኢሎም። ብተመሳሳሊ ገበን ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ልዕሊ 150 ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ምርመራ ይካየደሎም ከምዘሎን ምርመርኦም ዝተወድአ ኣብ ቀረባ ክሲ ከምዝምስረቶም ተገሊፁ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/soldiers-sentenced-to-prison-in-ethiopia\/6018775.html"} {"headline":"ኣብ ኣስመራ ብተበግስኦም ኣብ ሰናይ ተግባር ዝተዋፈሩ ኣሕዋት","content":"ሙሴ ተስፋሚካኤልን ስምኦን ተስፋሚካኤልን ኣብ ኣስመራ ከባቢ ዕዳጋ ሓሙስ ዝነብሩ ኣሕዋት እዮም። ብተበግስኦም ብውልቆምን ምስ ካልኦት ብጾቶምን ኮይኖም ንጽጉማት ክፋል ሕብረተሰብ ኣብ ምሕጋዝ ዝርከቡ ኣብነታውያን ገበርቲ ሰናይ መንእሰያት’ዮም። እዞም 2 ኣሕዋት ብዛዕባ ዝገብርዎ ሰናይ ተግባር ምስ ቪኦኤ ዝገበርዎ ዕላል ይስዕብ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6017421.html"} {"headline":"ናይ ደቡብ ሱዳን ፕሬዝዳንትን ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም ዘትዮም","content":"ንናይ ሓደ ማዕልቲ ወግዓዊ ዑደት ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ናይ ደቡብ ሱዳን ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ኣብ ኢትዮጵያ ዝተርኣዩ ኣወንታዊ ለውጥታት ምድናቖም ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ምንስቴር ኣፍሊጦም። ሓላፊት ፕረስ ናይቲ ቤት ፅሕፈት ቢል ለኔ ስዩም ንጋዜጠኛታት ከምዝተዛረብኦ እቶም ፕሬዝዳንት ንሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫን ካልኣይ ምምላእ ግድብ ህዳሴን ብዓወት ምዝዛሙ ኣድኒቖም ኢለን። ናይ ወፃኢ ሓይልታት ኢትዮጵያ ንዘጋጠማ ውሽጣዊ ፈተና ጣልቃ ምእታው ከምዘይብሎም እቶም ፕሬዝዳንት ምዝራቦም ቢል ለኔ ስዩም ገሊፀን ኣለዋ። ናይ ደቡብ ሱዳን ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ሎማዕንቲ ኣብ ቦሌ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ምስ ዝተቐበሉዎም ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ተዘራሪቦም ኣለው።ሓላፊት ክፍሊ ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ምንስቴር ብል ለኔ ስዩም ከምዝበልኦ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ክልትኣዊ ርክባትን ንኽልቶም ብሓባር ዘተሓሳስቡዎም ከባቢያዊ ጉዳያትን ተዘራሪቦም። ናይ ደቡብ ሱዳን ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ኢትዮጵያ ዘመዝገበቶም ኣወንታዊ ውፅኢታት ከምዘድነ ቑ እተን ሓላፊት ፕረስ ተዛሪበን። ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ብዕዉት ብምዝዛሙ ንቀዳማይ ምንስቴርን መንግስትን እንኳዕ ኣሕጎሰኩም ከምዝበሉዎም ዝገለፃ ንሰን ካልኣዩ ዙር ምምላእ ግድብ ህዳሴ ብዓወት ምዝዛሙ ብምንኣድ እውን ደቡብ ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ዝለዓለ ቦታ ምሃባ ከም እትቕፅል ደጊሞም ኣረጋጊፆም ኢለን። ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭት እውን ኣብ እዋን ምይይጥ ናይ ክልቲኦም መራሕቲ ከምዝተልዓለን ናይ ደቡብ ሱዳን ፕሬዝዳንት ንፃዕርታት መንግስቲ ምድጋፎምን ብል ለኔ ስዩም ሓቢረን። ‘’ብረታዊ ግጭት ዘልዓለ ኣብ ልዕሊ ሰሜን እዚ ብህወሓት ንዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ኮኒኖም’’ ምስ በላ ‘’'መንግስቲ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ንምሕላው ዝገበሮ ፃዕሪ እውን ኣድኒቖም እዮም።ናይ ወፃኢ ሓይልታት ኢትዮጵያ ዝገጠማ ውሽጣዊ ፈተና ጣልቃ ዘይምእታዎም ኣድላይ ምዃኑ ኣፅንኦም ብምሃብ ገሊፆም ‘’ ክብላ ተዛሪበን። ብል ለኔ ስዩም ኣብ መግለፂአን ህወሓት እቲ ውግእ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምስፍሑ ስዒቡ ዝተመዛበሉ ሰባት ቁፅሮም ምውሳኹ ገሊፀን ኣለዋ።በዝሒ ተመዛበልቲ ልዕሊ 500,000 ምዃኑን ህፁፅ ረድኤት ከምዘድልዮምን ሓቢረን ኣለዋ። መንግስቲ ኣብ ክልል ዓፋር ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ኣስታት 5,000 ኩንታል እኽሊ ምክፍፋሉን ተወሳኺ 4,600 ኲንታል ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝርከቡ ተረባሕቲ ምክፍፋሉ ተዛሪበን። ትግራይ ብዝምልከት እውን ክሳብ ሎሚ 318 ረድኤት ምግቢ ዝፀዓና መካይን ናብቲ ክልል ምእታወን እተነ ሓላፊት ፕረስ ኣመልኪተን።ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ምንቅስቅሃስ ሰብኣዊ ረድኤት ንምስላጥ እውን ቀረብ ዝፀዓና መካይን ይፍተሻሉ ዝነበረ ቁፅሪ ኖቕጣታት ካብ ሸውዓተ ናብ ሰለስተ ከምዝወረደ ፍሊጠን። ገለ ዓለምለኸ ትካላት ረድኤት ሓገዝ ዝፀዓና መካይን ብብዙሕ ናይ መፈተሺ ኖቕጣ ምሕላፈን ምንቅስቓሰ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ምድንጓይ ይፈጥር እዩ ዝብል ቅሬታ ከቕርቡ ምፅንሖምይዝከርይብል ፀብፃብ እስክንድር ፍሬው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/south-sudan-president-visited-ethiopia\/6017346.html"} {"headline":"ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመን ብዝቕጽል ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውልው ተመዛበልቲ ይሻቕል","content":"ኲናት የመን ገና ኣብ ዘይዓረፈሉ፡ ኣብ ማሪብ ዝተባህለ ዞባ ዝቕመጡ ዘለዉ ውሽጣውያን ተመዛበልቲ ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት ከም ዘለዉ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣመልኪቱ። ካብቶም ኣስታት 190-ሽሕ ዝግመቱ ተመዛበልቲ፡ ኣብ ርእሲ ስእነት ጸጥታ፡ ወትሩ ብመሰረታዊ ቀረባት ከም ዝሳቐዩ እቲ ኮሚሽን የመልክት። ኣብታ ኣብ መንጎ ተዋጋእቲ ሑቲን መንግስቲ የመን፡ ንምምሕዳር ማሪብ ኣብ ምቍጽጻር ብዝካየድ ዘሎ ከቢድ ኲናት፡ ንህይወት ኣሽሓት ሰባት የማዝብል ኣሎ። ብላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ዝተኻየደ ዳህሳስ፡ እቲ ንኣስታት 190-ሽሕ ውሽጣውያን ተመዛበልቲ ኣዕቊቡ ዘሎ መዓስከራት፡ ብስእነት መሰረታውያን ቀረባት ይስቐ ኣሎ። ወሃቢት ቃል ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣይካትሪን ኪቲዲ ኣብ እትገልጾ፡ ስእነት ጽሩይ ማይ፡ ዓይኒ-ምድሪ፡ ቀረባት ጥዕና፡ ኤለትሪክን ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት’ዩ ዘሎ። “ብሰንኪ ዘሎ ስእነት ውሕስነት ጸጥታ ንኣስታት 21 ሚእታዊት ካብቶም ሓገዝ ዝደልዩ ጥራይ’ዮም ክብጽሑ ተኻኢሎም ዘለዉ። ብሰንኪ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓያሎ ዜጋታት ካብ መረባታቶም ተመዛቢሎም’ዮም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ። ደቀንስትዮን ቆልዑ ኣስታት 80% ናይቶም ተመዛበልቲ’ዮም ዝሽፍኑ። ምስ’ቲ ዘሎ ሕጽረት መጽላሊ፡ ጻዕቂ ነበርቲን ስእነት መሰረታዊ ቀረባትን ድማ እቶም ቀዳሞት ተጠቃዕቲ ንሳቶም’ዮም።” ትብል ኪቲዲ። ኣብቲ ንሽዱሽተ ዓመት ኣቝጺሩ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ንልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮን ዜጋታት ኣማዛቢሉ ኣሎ። ኣስታት ሓደ ርብዒ ካብዞም ውሽጣውያን ተመዛበልቲ ኣብ ምምሕዳር ማሪብ’ዮም ዝርከቡ። ብመሰረት ሓበሬታ ወሃቢት ቃል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ቀጻሊ ደብዳብ ከቢድ ብረትን ኣየርን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንኣስታት 24-ሽሕ ዜጋታት ኣፋናቒሉ። እቶም ተመዛበልቲ ገለኣቶም ኣብ ከተማታት ክዕቆቡ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ኣብተን 150 ዝዀና ብግቡእ ዘይተጣየሳ መናቢዪ ስደተኛታት ኣለዉ። እቲ ግዜያዊ መዓስከራት በቲ ድሮ ሒዙዎ ዘሎ ቍጽሪ ኣዕለቕሊቑ ምህላዉ ዝሓበረት ኣፈኛ ላዕለዋይ ኮሚሽን፡ ነቶም ኣመና ሓገዝ ዝጸልዩ ንምብጻሕ’ውን ኣጸጋሚ ከም ዘሎ ትጠቅስ። “እዞም መዕቆቢታት እኹላት ኣይኰኑን። ካብ ኵሉ ዝገደደ ድማ በቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዘጓነፈ ውሕጅን ብሰንኪ ኣብ ደገ ምኽሻን ዘጋጠመ ባርዕን መሊሶም ተጓዲሎም’ዮም። ዋላ’ኳ ስእነት ቀረባት እንተሎ፡ ኣማራጺ’ውን ስለ ዘየሎ፡ ገለ ስድራቤታት በታ ዝረኸቡዋ ከምእኒ ኮቦርታ፡ መሸፈኒ ፕላስቲክን ኣጭርቕቲን ተጠቒሞም መጽላሊታት ይሰርሑ ኣለዉ።” ዝበለት ወሃቢት ቃል ኪቲዲ’ያ። ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ንዅላቶም ተቐናቐንቲ ሓይልታት፡ ንሰላማዊ ህዝቢ ዘይተገደበ ሓገዝ ክባጻሕ ከፍቅዱ ይጽውዕ። እታ ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ዝበጽሕ ህዝባ ኣብ ድርኩኺት ዓጸቦ ዘላ የመን፡ ብመግለጺ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝኸፍአ ዓለማዊ ቅልውላው’ያ ዘላ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6017032.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ከባብታት ካብ ኣሸባሪ ሕወሓት ናጻ ኣውጺአ ይብል፡ ሓይልታት ትግራይ ድማ በንጻሩ'ዩ ይብሉ","content":"ንማዕልታት ብዝተኻየደ ውግእ ካብ ህወሓት ነጻ ወፂኦም ኣብ ዝበሎም ከባቢታትን ከተማታትን ዞባ ደቡብ ጎንደር ንምርግጋእ እናሰርሑ ምዃኖም ዋና ኣማሓዳሪ እቲ ዞባ ኣቶ ቀለመ ወርቅ ምህረቴ ገሊፆም። ብኻሊእ ወገን ድማ ህወሓት ብርክት ዝበሉ ክፍለ ሰራዊትን ወታደራትን ደምሲሰ ክብል ብቪኦኤ ንዝተመሓላለፈ መግለፂ መልሲ ዝሃቡ ኣቐባሊ ቃል ሰራዊት ምክልኻል ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነ:ህወሓት ናይ ሕሶት ሓበሬታ ምዝርጋሕ ዝኸተሎ ናይ ውግእ ስልቲ እዩ ክብሉ ነፂጎምዎ። ኣምሓዳሪ ዞባ ደቡብ ጎንደር ኣቶ ቀለመወርቅ ምህረቴ ከምዝበሉዎ ህወሓት ሒዙዎም ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሕዚ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት መንግስትን ክልል ኣምሕራን ይርከቡ። ካብ ዕጡቓት ህወሓት ዝሞተ ሞይቱ ዝማረኽ ተማሪኹ እቲ ዝተረፈ ድማ ካብቲ ከባቢ ተሳዒሩ ወፂኡ ኣሎ ኢሎም ። እቲ ሓቂ እዚ እናሃለወ ህወሓት ከምዝተዓወተ ብምግላፅ ንህዝቢ ትግራይ የታልል ኣሎ ኢሎም። \"ሒዞምዎም ዝነበሩ ንመስመር ዓፋር ተኸቲሎም ንኸተማታት ጋሳኝ ፣ ክምር ድንጋይ ፣ሳሊ ጉብጉብን ንፋስ መውጫን ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ፀላኢ ነፃ ወፂኦም ኣለዉ ካብ ኢድ ፀላኢ ንምውፃእ ዳርጋ ሓደ መዓልቲ እዩ ወሲዱ ። እዚ ዘረእዮ ድማ ፀላኢ ብብዙሕ ነገር ፈቲኑ ኣይተሳኸዐሉን፤ ኣብዚ ክፀንሕ ከምዘይኽእልን ዝተሃንጠዋ ደብረታቦር ከምዘይረኽበን ክርዳእ ከሎ ተወቂዑ ዝወፀ ሙዃኑን ዝተማረኹ ድማ ናብ ዝተወሰነሎም ቦታ ተወሲዶም ኣለዉ። \" ‘’ህወሓት ፅልእና ምስ መንግስቲ ‘ዩ እናበለ ከደናግር እንተፈተነ እውን ኣብ ዝኣተወን ከተማታት ዝፍፀሞም ተግባራት ሓቃዊ መንነቱ ኣርእዩ ኣሎ’’ኢሎም ኣቶ ቀለመወርቅ። \"ብመዳይ ትካላት መንግስቲ ዝተረፈ ነገር የለን ኣቁሑታት ፀላኢ ወሲዱዎም እዩ ፣ ባንክታትን ኩሎም ትካላት ፋይናንስ ፀላኢ ዘሚቱዎም እዩ።ሕድሕድ ገዛውቲ ውልቀሰባት'ውን ተፈቲሹ ተመስቢሩ እዩ። ካብ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ቀለበት ኢደንን መጋየፅታተንን ተወሲዶም እዮም ።እዚ ኹሉ ብስነስርዓት ተሰኒዱ ኮሚቴ ተጣይሹ ንማሕበረሰብ ዓለምን ዝምልከቶም ኣካላትን ክሪኡዎ ንምግባር ይስረሐሉ እዩ ዘሎ።\" ንባዕሎም ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኢሎም ዝፅውዑ ዓብይ ዓወት ምሕፋሶም :ካብ ነሓሰ 13 ስጋብ 15 ኣብ ግንባራት ስሪንቃን ጋሻናን ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ዝለዓለ ሰብኣዊ ኪሳራ ብምውራድ ከምዝተዓወቱ ገሊፆም ነይሮም። No media source currently available ሽዱሽተ ክፍለ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያን 11,000 ፍሉይ ሓይልን ሚሊሽያን ክልል ኣምሓራን 3,000 ወታደራት ሪፓብሊካን ጋርድን ከምኡ እውን ሓደ ብርጌድ ኮማንዶን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ማዕልታት ከምዝደምሰሰ ገሊፁ እዩ። ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነ ግን ስዕረቱ ንምሽፋን ህወሓት ዝጥቀመሉ ዝተለመደ ሕሶት እዩ ክብሉ ነፂጎምዎ። \"እዚ ኣሸባሪ ጉጅለ ዝብሎ ዝተለምደ ነገር ኣሎ ብፍላይ ዘይተዓወቱ ክተርፉ ከለዉ፣ ዝሓሰብዎ ነገር ከይተፈፀም ክተርፍ ከሎ ፣ከምዚ ዝበለ ዓይነት ነገር ካብ ምግባር ንድሕሪት ክብሉ ሪኢና ኣይንፈልጥን። መንግስትና በይናዊ ምቁራፅ ተዛብኦ ምስገበረ ይበፅሖም ዝሎ ነገር ይፈልጥዎ እዮም ።ስለዝኾነ ነዚ ንምሽፋን ዝተፈላለዩ ፕሮፖጋንዳታት ምንዘሖም ኣይደንቅ፟ን ፤ ከምቲ ንሳቶም ቀቲልናዮ ዝብልዎ በዝሒ ኣይኮነን ኢትዮጵያ ኣፍሪካ'ውን ክህልዋ ኣይኽእልን ኣይውዳእን :: ናታቶም ሕሶት እዩ ።ንሱ'ውን ንሓንሳብን ንመወዳእታን ጠጠው ክብል እዩ። ነዘን ሒዝናየን ዝብሉወን ዘለዉን ህዝቢ ዝፈናቀለለን ዘለዋን ከተማታትን ንሓዲኤን እኳ ተዋጊኡ ኣይሓዘንን ፕሮፖጋንድኡ ብምንዛሕ ደሓር ብኣካል መፂኡ ይኣቱ ። ናቱ ሕሶታት መልሲ ንምሃብ'ውን ዘሕፍር እዩ ።\" ናይ ሓሶት መረዳእታ ምዝርጋሕ ናይ ህወሓት ናይ ውግእ ስልቲ እዩ ኢሎም እቶም ኣቐባሊ ቃል ሰራዊት ኢትዮጵያ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6015989.html"} {"headline":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ መርማሪ ጉጅለ ናብ ክልል ኣምሓራ ከምዝልእኽ ኣፍሊጡ","content":"ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዘተሓሳስብ ኩነታት ኣብ ምስፍሕፋሕ ምዝ ዝርከብ ናይ ትግራይ ግጭት ብዝተኣሳሰረ ምስ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ከቢድ ብረት፣ቕትለት፣ወራርን ምምዝባልን ምርመራ ንምክያድ ናብ ክልል ኣምሓራ ዘፃሪ ጉጅለ ከምዝልእኽ ኣፍሊጡ።13 ነሓሰ2013 ዓ\\ም ኣብ ዞባ ደቡብ ጎንደር ከብ ከተማ ደብረታቦር ዕጡቓት ህወሓት ከምዝተፈፀመ ዝተዘረበሉ ዝብሎ ደብዳብ ከቢድ ብረት ሓደ ናይ ቤተሰብ ባላት ዝኾኑ ዉዴ ዋሌ፣እሱባለው ድረስ፣ኣዲስ ኣለም ድረስ፣ሰርካለም ድረስን ናይ ኣርባዕተ ወርሒ ህፃን ህፃን ኣመል ድረስን ከምዝተቐትሉ ተረጋጊፁ ኣሎ ይብል እቲ መግለፂ። እናሰፍሐን እናገደደን ዝርከብ ግጭት ኣብ ልዕሊ ስቪላት ዝለዓለ ጉድኣትን ሰብኣዊ ቅልውላውን እናስዓበ እዩ ኢሉ። እቲ ኮሚሽን ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ኩሎም ወገናት ስቪል ዒላማ ከይገብሩ ዳግም የተሓሳስብ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-human-rights-commission-is-dispatching-a-team-to-assess-war-related-damages-in-amhara-region\/6015958.html"} {"headline":"ኡጋንዳ ኣስታት ክልተ ሽሕ ኣፍጋናዊያን ስደተኛታት ንምውሳድ ተሰማሚዓ","content":"ዩጋንዳ ኣብ ዓለም ዝዓበየ በዝሒ ስደተኛታት ተዕቁብ ዘላ ሃገር ኮይና ብመሰረት ሕቡራት መንግስታት ኣስታት ሓደ ነጥቢ ሓሙሽተ ሚሊዮን ስደተኛታት ተተኣናግድ ዘላ ሃገር እያ ታሊባን ንኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምቁፅፃሩ ሃዲሞም ንዝወፁ ኣፍጋኒስታናዊያን ዝፀዓነት ነፋሪት ሎማዕንቲ ረቡዕ ኡጋንዳ ኣትያ።ግዚያዊ መዕቖቢ ከምዝውሃቦም ሰበስልጣን መንግስቲ ገሊፆም ኣለው። ምንስትሪ ወፃኢ ኡጋንዳ ከምዝበሎ ደቂ ተባዕቲዮ፣ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑትን ዝርከቡዎም ሓምሳን ሓደን ኣፍጋኒስታናዊያን ዝፅዓነት ቻርተር ነፋሪት ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ እንተቤ ዓሪፋ ኣላ።ሽዑ ንሽዑ ብኣውቶቡሳት ናብ ሆቴል ተወሲዶም ኣለው። ሎማዕንቲ ተወሰኽቲ ኣፍጋኒስታናዊያን ክኣትው ትፅቢት ከምዝግበር እቲ ምንስትሪ ገሊፁ ኣሎ።ኣብ ሓደጋ ዝወደቑ ኣፍጋናስታናዊያንን ካልኦት ዜጋታትን ብግዚያዊ ክተዕቖቦም መንግስቲ ኣሜሪካ ብዘቕረቦ ሕቶ ተተኣናግድ ከምዘላ እቲ ምንስትሪ ወሲኹ ሓቢሩ። ፀብፃባት ሚዲያ ከምዝሓበሩዎ ዩንጋንዳ ኣስታት ክልተ ሽሕ ስደተኛታት ንምውሳድ ተሰማሚዓ ኣላ።ዩጋንዳ ኣብ ዓለም ዝዓበየ በዝሒ ስደተኛታት ተዕቁብ ዘላ ሃገር ኮይና ብመሰረት ሕቡራት መንግስታት ኣስታት ሓደ ነጥቢ ሓሙሽተ ሚሊዮን ስደተኛታት ተተኣናግድ ዘላ ሃገር እያ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6015789.html"} {"headline":"ባህላውን ሃይማኖታውን ትሕዝቶ ዘለዎ በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ በቢ ዓመቱ ንፆመ ፍልሰታ ስዒቡ 16 ነሓሰ  ይኽበር","content":"ኣብ ዋሽንግተንን ከባቢኣን ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ንዝሓለፉ 13 ዓመታት ዝተፈላለዩ ነቲ በዓል ዝገልፁ ምድላዋትን ጣዕመ ዜማታትን ብምድላው ከብዕለኦ ፀኒሐን እየን ባህላውን ሃይማኖታውን ትሕዝቶ ዘለዎ በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ በቢ ዓመቱ ንፆመ ፍልሰታ ስዒቡ 16 ነሓሰ ይኽበር ። ኣብ ዝተፈለለዩ ከባብታት ዓለም ዝርከቡ ማሕበረሰብ ትግራይ ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ድማ ከከም ከባቢኦምን ዝጥዕሞም መዓልትን ከኽብርዎ ይስትብሃል። ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ 'ውን ኣብ ዝሓለፈ ሰምበት 22 ነሓሰ 2021 ኣብ ሰውሒ ሃገራዊ ሓወልቲ \/monument\/ ኣብዒለንኦ ። በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ ንዘመናት እናተኸብረ ዝመፀ ሃይማኖታዊ መሰረት ዘለዎ ብባህላዊ ፍፃመታት ዝማዕረገ ብበዝሒ ደቂ ኣንዝትዮን ኣዋልድን ዝሳተፋሉ ክብረ በዓል እዩ። ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ መቀ፟ለ ብድምቀት ይኽበር እዩ። ኣሸንዳ ካብ ትግራይ ወፃኢ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ደገ ዝነብሩ ማሕበረሰብ ትግራይ ኽብርዎ ይረአ ። ሎሚ ድማ ኣብቲ ሰምበት 22 ነሓሰ 2021 ዝተባዕለ ኣሸንዳ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣከባብራ እቲ በዓል ናይ ዝተፈላለዩ ሃገራት ተዓዚብና ኢና ። ካብዚኦም ሓደ እቲ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብቲ ሃምለዋይ ሜዳ ሃገራዊ ሓወልቲ ደቂ ኣንስትዮ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኡን ዘዳለወኦ ምድላው ተረኺበ ነይረ። መስቲ ብሓምለዋይ ሳዕሪ ዝማዕረገ ጎልጎል ሃገራዊ ሓወልቲ ዋሽንግተን ዲሲ \/Monument\/ በዓል ኣሸንዳ በዓል ኣሸንዳ ከኽብራ ዝተአኻኸባ ደቂ ኣንዝትዮን ኣዋልድን ባአልባሳትን መጋየፂታትን ማዕሪገን ኣብቲ ሜዳ ክፃወታን ክዘላን ክትርኢ ብዓይነ ሕልና ንብቲ ብዝፍሓት ዝኽበረሉ ኸባቢ የዘኻኽር ። ኣብ ዋሽንግተንን ከባቢኣን ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ንዝሓለፉ 13 ዓመታት ዝተፈላለዩ ነቲ በዓል ዝገልፁ ምድላዋትን ጣዕመ ዜማታትን ብምድላው ከብዕለኦፀኒሐን እየን ፣ ናቱ መቀ፟ፀልታ ድማ እዩ ኣብ ሜሪላንድ ፣ቨርጂንያን ዋሽንግተን ዲሲን ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ብሓንሳብ ተኣኻኺበን ዘብዐለኦ ። ኣብቲ ዋን ዝረኸብኹወን ደቂ ኣሸንዳ ብዛዕባ እቲ በዓል ኣዘራሪበየን ነይረ። ሎምዘበን ብሓንሳብ ተኣኻኺበን ዘኽብራሉ ምኽኛት እቲ መግለፂ ናፅነት ደቂ ኣንስትዮ ዝኾነ በዓል ኣሸንዳ ብምኽኛት እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናትን ሳእቤናቱን ናፅነተን ተነፊገን ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ድምፂ ክንኮንመን እዩ ይብላ እተን ተሳተፍቲ ። ኣብቲ እዋን ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክልልትግራይ ኣጓኒፉ ዝርከብ ቅልውላው ዝገልፁ ዝተፈላለዩ ጭርሖታትን ባህላዊ ትርኢታትን ቀሪቦም ነይሮም ። ብልፅቲ ኣሸንደይቲ'ውን ተሓርያ። እቲ በዓል ብዝተፈላለዩ ጣዕመ ዜማታትን ሳዕስዒትን ደሚቁ፟ ተዛዚሙ እዩ። በዓል ኣሸንዳ ኣብ ኢትዩጵያ ኣብ ክልላት ትግራይናአምሓራን ኣሸንዳ፣ሻደይን አሸንዱየን እናተባህለ ዝክበር በዓል ደቂ ኣንስትዮ ኮይኑ ኣብ ዩኒስኮ ንኽምዝገብውን ፃዕርታት ክግበር ምፅንሑ ዝፍለጥ እዩ ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6015699.html"} {"headline":"በብመድረኹ፤ ንልዕሊ 45 ዓመታት ዝኸደ ዝምድና ዳን ኮነልን ኤርትራን","content":"“ካብ 2002 ኣትሒዘ ንኤርትራ ክኣቱ ስለ ዘይከኣልኩ፡ እቶም ስደተኛታት ንኤርትራ ዘራኽቡኒ እንኮ መስኮት’ዮም\" መንእሰይ ዳን ኮነል ኣብ መፋርቕ 1970ታት ንኣፍሪቃ ፈለማዩ ክረግጽ እንከሎ፡ ብሓደ ወገን ምስ ምጕንጻፍ ናጽነት ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርአ ዝነበረ ትስፉው ማሕበራዊ ለውጢ፡ በቲ ካልእ ከኣ ኣብ ኣመሪካ ንዘይረኸቦ ገስጋሲ ምንቅስቓሳት ብቐረባ ክከታተል ኢሉ’ዩ። ንኣሽቱ ዝመስሉ ፍጻመታትን ክስተታትን ግን ንኣንፈት ጕዕዞኡ እናኣማእዘኑ፡ እንሆ ሎሚ ን45 ዓመታት ዝጸንሐ ኪዳን ከም ዝፈጥር ገይሩዎ። ኣብ ፈለማ 1976 ምስታ ንኮሎነል ቡሹ ገብረ ተኽላ ተመሪሓ ናብ ኣስመራ ዝኣተወት ቃፍላይ’ዩ ኣትዩ። ኣስመራ ምስ ኣተዉ ክራኸቡ ኣዒንቱ ኣውዲቑሉ ዝነበረ ኮሎነል ቡሹ ግን ብፈዳኢን ህዝባዊ ግንባር ንጽባሒቱ ድሕሪ ምቕታሉ፡ ኣስመራ እዋን እቶ-እቶ ተኣዊጁዋ፡ ንዳን ኮነል መንፈሳ ዝሃደመትን ከተማ’ያ ተቐቢላቶ። እቲ ፈለማ ዝተቐበሎ ጽምልው ገጽ ኣስመራ ግን ተስፋ ኣየቝረጾን። ዝበዝሕ ኣብቲ ኣብ ምቍጽጻር ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ቦታታት ደኣ ይዅን እምበር ክሳብ 2002 ልዕሊ 15 ግዜ ተመላሊሱ ኣሎ። ክንድኡ ምምልላስ ጥራይ ዘይኰነስ ንኤርትራ፡ ቃልሳን ህዝቢ ኤርትራ ዝሓለፎ መስገደልን ኣመልኪቱ ዛጊት ሽዱሽተ መጽሓፍቲን ኣማኢት ዓንቀጻት ጽሒፉ ኣሎ። ኣብ ሓያሎ ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜናታት ብቐጻሊ እናጸሓፈ ንሰውራ ኤርትራ ዓለማዊ ኣፍልጦ ንኽረክብ መሪሕ ተራ ካብ ዝተጻወቱ ሓደ’ዩ። እቲ ካብ ሜዳ ናጽነት ዳሕራይ ድሕሪ ናጽነት ንኤርትራን ገስጋስን ኣመልኪቱ ዝጽሕፎ ዝነበረ ዓንቀጻት ኣብ 2003 ከምኡ’ውን 2004 ብኣሕታሚ ረዲ ሲ ፕረስ Taking on the Superpowers ከምኡ’ውን Building a New Nation ብብዝል ኣርእስቲ ብመጽሓፍ ተሰናዲኡ ኣሎ። እታ ልዕሊ ኵለን ስሙያቲ መጽሓፍ ዳን ኮነል ግን Against All Odds: A Chronicle of the Eritrean Revolution ብዝብል ኣርእስቲ ፈለማ ኣብ 1993፡ ዳሕራይ ካልኣይ ሕታም ኣብ 1997 ሕጂ ድማ ንሳልሳይን ነቲ ሕሉፍ ብሓድሽ ርእየት ዝጠመተን ሕታም ኣብ 2021 ወጺኣ ዘላ’ያ። እዛ መጽሓፍ ሰውራ ኤርትራ ማሕበራዊ ለውጢ ሕብረተሰብ ኣበጊሱ፡ ከመይ ኣቢሉ ነቲ ቃልሲ ንናጽነት ኪንዮ መሰል ሓርነት ምጕንጻፍ፡ ቃልሲ ንማሕበራዊ ፍትሒን ኵለንትናዊ ድንፋዐ ሕብረተሰብን ከም ዝገበሮ ብደቂቕ እተርኢ’ያ። ቀዳም 21 ነሓሰ ኣብ ክሊቭ-ላንድ ዝተሰምየ ህዝባዊ ቤት ንባብ ዋሺንግተን ዲሲ ንልዕሊ ክልተ ሰዓታት ዝጸንሐ ወግዒ እምበእር መላልዪ ጽንብል እዛ ሳልሳይ ሕታም’ዚ መጽሓፍ’ዩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ዳን ኮነል፡ ምስ ኤርትራ ዘተኣሳስሮን ክንዲ ዝረሓቐ እንተኸደ’ውን ወትሩ ዝመልሶን ኣጋጣሚታትን ምዕባለታትን’ዩ ፈለማ ዘርዚሩ። ድሕሪኡ ካብ ተሳተፍቲ ዝመጾ ዝነበረ ሕቶታት ኣብ ምምላስ ኣትዩ። ካብቲ ብተደጋጋሚ ዝሕተቶ ዝነበረ ምስ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣመና ዝጠበቐ ዝምድና ስለ ዝነበሮ ኣንጻር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ መርገጺ ኣምልኪቱ’ዩ ነይሩ። ዳን እቲ ነቕፌታ ከም ዝቕበሎ ድሕሪ ምንጋር፡ ኣብ እዋኑ እኹል ግንዛበን ክመሚ ናይ ምኽኣልን ዕድልን ከም ዘየነበሮ ብግልጺ ተዛሪቡ። ድሕሪ’ቲ ናይ መላልዪ ኣጋጣሚ ከነዘራርቦ ዕድል ረኺብና ኔርና።። ቀደመይቲ ሕቶ ስለምታይ ነታ ሓዳስ ሕታም መጽሓፍ Against All Odds ንኤርትራ ዝከታተል ኣንባቢ ተገድስ ንዝብል ሕቶ ዳን፤ “እታ ኣብ 1993 ዝተሓትመት መጽሓፍ ሰውራ ኤርትራ ከመይ ኢሉ ከም ዝተዓወተ ከተርእዮም’ያ። እቲ ናይ 1997 ሕታም ምስ ዳግመ-መውጽኢ፡ ነቲ ኣብ ሰውራ ዝነበረ ሃጓፋትን ድኻማትን እሞ ከኣ ብትስፉው ኣጠማምታ ከተርኢ ትኽእል’ያ። እዛ ናይ መጨረሽታ ሕታም ድማ ምስቲ ዳሕራይ ዝገምገምኩዎ፡ ነቲ ዝነበረ ጌጋታት ብኻልእ መነጸር ክትርእዮን ክምርምሮን ትፍንት’ያ። ስለዚ፡ እቲ ጌጋታት ኣበይ’ዩ ነይሩ ከተርኢ ስለ እትኽእል።\" ኣብዛ ናይ ዳሕራይ ሕታም ክሳብ ሚያዝያ 2021 ዝነበረ ኵነታት ብመንጽር ኣብ ትግራይ ዝምዕብል ዝነበረ ከይዲ ክትርኢ እትፍንን ደራሲ ዝሓሸ መገዲ ዝበሎ ኣተዓራቒ ፍታሕ እትዝርዝርን ኢያ። ኣብዛ ሳልሳይ ሕታም Against All Odds ብሰፊሑ ተዘርዚሩ ከም ዘሎን ኣብ በበይኑ ኣጋጣሚታት ዝጽሕፎ ዝነበረን፡ ኣቓልቦ ዳን ኮነል ሕጂ ዝያዳ ናብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝቐንዐ’ዩ። ኣብ ክልል ትግራይን ዓፋርን ዝርከቡ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራ ብዙሕ እዋን ተመላሊሱ፣ ኣብ በበይኑ ሃገራት ኤውሮጳ ምስ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዙሕ ተራኺቡ: ናብ ሲናይ በጺሑን ክሳብ ብላቲን ኣመሪካ ምስኣቶም ተጓዒዙን’ዩ። ምኽንያት ናይቲ ኣቓልቦኡ ናብ ስደተኛታት ዝገበሮ ኣብ ዝተሓተተትሉ ድማ ብሰለስተ ምኽንያታት ምዃኑ ይዝርዝር፤ “ካብ 2002 ኣትሒዘ ንኤርትራ ክኣቱ ስለ ዘይከኣልኩ፡ እቶም ስደተኛታት ንኤርትራ ዘራኽቡኒ እንኮ መስኮት’ዮም። ካልኣይ ከኣ ካብቲ ኣዝዩ ሕጹር ኣከባቢ ፈንጺጎም ንኽወጹ ዝርእዩዎ ምብልሓት፡ ትብዓትን ሓይሊን ኣፍልጦን መጎስን ዘውህብ’ዩ። እዚ ዅሉ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ የእትዮም’ዮም። ሳልሳይ ምኽኒት ድማ ኣብቲ ውሑስ ዝበሉዎ ሃገር ምስ በጽሑ ዝጎንፎም ማሕለኻታትን ንዕኡ ንምስጋር ዘሕልፉዎ ጽንካረን’ዩ፡” ኢሉ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6014647.html"} {"headline":"ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሓለቓ ስታፍ ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ማዕቀብ ኣንቢሩ","content":"ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ነቲ ዝተወስደ ስጕምቲ ኣመልኪቱ ቅጽበት ግብረ-መልሲ ሂቡ ኣሎ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዘካየድ ዘሎ ኲናት፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣውሪዱዎ ብዝበሎ ብዙሕ ግፍዕታት ንሓለቓ ስታፍ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ኣብ ጸሊም መዝገብ የእትዩ ብኣዋጅ ማግነትስኪ ጉዳዩ ክርአ ሎሚ ሰኑይ ኣፍሊጡ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ብወገኑ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ነቲ ውሳነ “መሰረት ኣልቦ” ክብል ነጺጉዎ ኣሎ። ኣብቲ ብጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ተፈሪሙ ዝወጸ መግለጺ፡ ብኣመሪካ ዝተገበረ ተደጋጋሚ ጻውዒት ዕሽሽ ብምባል፡ “ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ብዝፈጸሙዎ ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲን ካልኦትን ዜጋታትን ብዝፈጸሞ ሰፊሕ ሰብኣዊ ግፍዒን ተሓታቲ’ዩ” ክብል ጠቒሱ። ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ድማ እቲ ግፍዒ ብኣሃዱኡ ዝተገብረ ምዃኑ፡ ብኣዋጅ ማግነትስኪ ጉዳዩ ክርአ ውሳነ ከም ዘሕለፈ እቲ መግለጺ ይሕብር። ኣዋጅ ማግነቲስኪ ኣብ 2012 ብባይቶ ኣመሪካ ዝጸደቐ ኰይኑ፡ ብዜጋታት ወጻኢ ሃገር ንዝፍጸም ብልሽውናን ሰብኣዊ ግፍዒን መርሚሩ ናይ ምንቅስቓስ ገደብን ናይ ንብረትን ሕሳብ ባንክን ማዕቀብ ዝገብር’ዩ። መግለጺ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ከም ዘመልክቶ፡ ኤርትራ ኣብ ወርሒ ሰነ ደኣ ሰራዊታ ስሒባ ትንበር እምበር፡ ዳግም ብዙሕ ሰራዊት ንትግራይ የእትያ ከም ዘላን እዚ ተርእዮ ድማ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ምዃኑን ሓቢሩ። ወሲኹ እቲ ዳግም ሰራዊት ናይ ምስዳድ ተበግሶ ነቲ ኲናት ከናውሖን ስቓይ ህዝቢ ክውስኽን ምዃኑ የጠንቅቕ። ንኹላቶም ሓይልታት ምቍራጽ ተጻብኦታት ክገብሩን ንሰላማዊ ህዝቢ ሓገዝ ንምብጻሕ መገዲ ከፍቅዱን ድማ እቲ መልእኽቲ ይጽውዕ። “እዚ ስጉምቲ መርኣያ፡ ኣመሪካ ግፍዒ ክፍጸም ድው ኢላ ከም ዘይትርኢ’ዩ፡” ዝበለ መገልጺ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ መንግስቱ ከምኡ ዝመስል ግፍዕታት ንዝፍጽሙ ኣካላት ብቐረባ ክከታተልን ዝመልከቶም ስጉምቲ ክወስድን ምዃኑ ወሲኹ። ናይ ጽሑፍ መግለጺ ጸሓፊ ጉዳያት ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ነቲ ኲናት መደምደምታ ክገብራ ጸዊዑ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ነቲ ዝተወስደ ስጕምቲ ኣመልኪቱ ቅጽበት ግብረ-መልሲ ሂቡ ኣሎ። ነቲ “መሰረት ኣልቦ”ን “ብጽቡቕ መንፈስ” ዘይተበገሰን ዝበሎ መግለጺ ብትሪ ከም ዝነቕፎ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ የምልክት። እቲ መግለጺ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ብሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ናብ ኣንቶኒ ብሊንከን ዝተጻሕፈ ደብዳበ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝበሎ፡ “ጭብጢ ኣብ ዘይብሉ ናይ ማዕከናት ዜና ሓበሬታ ተመርኲሱ” ከምኡ ዝመስል መግለጺን መርገጺን ምውሳዱ ከም ዘሕዘኖ ጠቒሱ። መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ንኸምዚ ዝመስል ክሲ ስቕ ኢሉ ከም ዘይርኢ ድሕሪ ምምልካት፡ መንግስቲ ኣመሪካ ነቲ ጉዳይ ኣብ ናጻ ፍርዳዊ ኣካል ክመርሖን ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ድማ “ሓላፍነቱ ተሰኪሙ፡ ነቲ ልኡላዊ ክብሪ ኤርትራ ዝጥሕስ” ዝበሎ ክሲ ክምርምርን ጸዊዑ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6013057.html"} {"headline":"ኣብ ኤርትራ ዝርግሐ ዝናብ ክረምቲ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከምዘሎ ሚኒ\/ሕርሻ ገሊጹ","content":"ኣብ እዋን ኣዝመራ ብውሑድ መጠን ዝጀመረ ዝርግሐ ዝናብ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ኣብ ዝሰፍሐ ከባቢታት ኤርትራ ንቡርን ልዕሊ ንቡርን ዝርግሕ ዝናብ ይቕጽል ከምዘሎ ሚኒ\/ሕርሻ ኤርትራ ገሊጹ። ኣብ ዝበዝሑ ነቑጣታት ካብ’ቲ ዓመታዊ ዝድለ ማእከላይ ገምጋም ዝናብ ንላዕሊ ከምእተመዝገበን እቲ ዝናብ ፈኵስን ህዱእን ብምንባሩ ዘራእቲ ኣብ ዝሓሽ ኩነታት ከምዝርከብን ኣብ ሚኒ\/ሕርሻ ኤርትራ ክኢላ ሕርሻዊ ሜትሮሎጂ ኣቶ ተኸስተ ወ\/ገብርኤል ንቪኦኤ ገሊጹ። ምስ ምብዛሕ ዝናብ ዝኽሰቱ ሕማማትን ባልዓትን ከምዘለዉ ዝሓበረ ኣቶ ተኸስተ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ ጎረብብቲ ሃገራት ዝተርኣየ ኣንበጣ ምድረ-በዳ ናብ ኤርትራ ናይ ምስጋም ተኽእሎታት ክህልዎ ስለዝኽእል ሓረስቶት ኣብ ግራቶም ኮለላን ምክትታልን ከካይዱን ፍሉይ ነገር ምስ ዝዕዘቡ ኣብ ከባቢኦም ንዝርከቡ ክኢላታት ሕርሻ ክሕብሩን መኺሩ’ሎ። ኣብ እዋናዊ ወቕቲ ክራማት ብዝምልከት ምስ ክኢላ ሕርሻዊ ሜትሮሎጂ ኣቶ ተኸስተ ወ\/ገብርኤል ዝተገበረ ቃለ-መሕትት ይስዕብ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6012697.html"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን ኣብ ቃራና መገዲ፡ ዘተ ብጠመተ ታንታኒ ፖለቲካን ብዓይኒ ክኢላ ሕጊን","content":"ምስ ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካን ሓይልታት ሰሜን ኪዳን ኣትላንቲክ (ኔቶ)ን ጉጅለ ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ኣብ ዝተቖጻጸርሉ ግዜ ዝህሉ ሳዕቤናትን ኣመታትን ከመይ ይመስል? ዕስራ ዓመት ዝወሰደ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣመሪካ ተዓዊቱ ድዩ ፈሺሉ? ስለምንታይ? ኣፍጋኒስታን ኣብ ትሕቲ ግብረ-ሸበራዊ ዝተሰምየ ሓይሊ ጣሊባን እንታይ መጻኢ ክጽበያ’ዩ? ተዛተይቲ ሳልሕ ኑር፡ ቀዳማይን ካልኣይን ዲግሪ ብፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት ካብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራን ኖርዝወስት ዩኒቨርስቲ ዝተመረቐ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ኣብ ኖርዝወስት ዩኒቨርስቲ ቺካጎ ሕጹይ ዶክተር’ዩ። ካልኣይ ጋሻ ድማ ኢሳያስ የማነ፡ ምሩቕ ሕጊ ካብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራን ዳሕራይ ድማ የል ዩኒቨርስቲ’ዩ። ኢሳያስ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ኤርትራ ምስ ኣማኻሪ ጉዳያት ሕጊ ዝሰርሕ ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝመደበሩ Center for Innovation, Peace, Security and Prosperity ዝተሰምየ ዘይመኽሰባዊ ትካል ሰላምን ጸጥታን ኣካያዲ ስራሕ’ዩ። ነቲ ዝርርብ ኣብርሃም ተስፋልኡል’ዩ ኣካዪዱዎ፡ ንምሉእ ትሕዝቶ ንምጽማዕ ኣብዚ ጠውቑ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6012614.html"} {"headline":"USAIDን ኦቻን አብ ክልል ትግራይ ረድኤት ንምብጻሕ ዕንቅፋት ከምዘጋጠሞም ኣፍሊጦም","content":"አብ ትግራይ ናብ ዝርከቡ ሚልዮናት ተሓገዝቲ ካብዚ ሰሙን’ዚ ጀሚሩ ከሐግዘሉ ናብ ዘይኽእለሉ ብርኪ ከምዝበጽሐ ስግር ባሕሪ ተራድኦ ዩናይትድ ስቴትስ (USAID) ኣፍሊጡ። ናብ’ዚ ኩነታት’ዚ ዝበቅዐ፣ ሕጽረት መግቢ ስለዘጋጠሞ ዘይኮነስ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሰብኣዊ ረድኤትን ሰራሕተኛታትን ከምኡውን ምንቅስቃስ ረድኤት ዝጻዓና ማካይንን ነፈርቲን የተዓናቅፍ ስለዘሎን እዩ ኢለን ኣማሓዳሪት USAID ሳማንታ ፓወር። ሓላፊት ፕረስ ቤት ጽሕፈት ቀ\/ሚ ትዮጵያ ብወገና ‘መንግስቲ፣ ናብ’ታ ክልል ዝኣትው ኣገልግሎት ረድኤት፣ ምቹእ ኩነታት ይፈጥር ከምዘሎ ብምግላጽ ነቲ ክሲ ነጺጋቶ’ ይብል ወኪልና ኬነዲ ኣባተ ዝላኣኾ ሪፖርት። USAID ስግር ባሕሪ ተራድኦ ዩናይትድ ስቴትስን ኣተሓባባሪ ህጹጽ ረድኤት ሕቡራት ሃገራትን (ኦቻን) ኣብ ዝዘርግሕዎም መግለጺታት፣ ኩነተ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ትግራይ እናንቆልቆለ ይመጽእ ከምዘሎ ኣመልኪቶም። አማሓዳሪት USAID ሳማንታ ፓወር ትማሊ አብ ዝሃበኦ መግለጺ ‘ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቁጸሩ ሰባት ንጥምየት አብ ዝተቃልዑላ ክልል ትግራይ ዘለው መኻዚኖታት ረድኤት ተጸንቂቆም ኣለው ምባል ይካኣል ኢለን። ውግእ ካብ ዝተጀመረሉ ቅድሚ ትሻዓተ ወርሒ ንፈለማ ጊዜ አብ’ዚ ሰሙን’ዚ መግለጺ ዝሃቡ ትካላት፣ ረድኤት ናብ ዘድልዮም ሚልዮናት ህዝቢታት ዘቅርብዎ መግቢ ከምዝወድኡ ይገልጹ ኣለው። USAIDን ሓቢሮምዎ ዝሰርሑን ትካላት ኣብ ትግራይ ዝነበረ ክዙን እኽሊ ከምዝተጸንቀቀ ዝገለጻ ሳማንታ ፓወር፣ ናብ’ዚ ብርኪ’ዚ ተበጺሑ ዘሎ ግና፣ ሕጽረት ረድኤት እኽሊ ስለዘጋጠመ ዘይኮነስ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሰብኣዊ ረድኤትን ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤትን ከምኡውን ንምንቅስቃስ ረድኤት ዝጻዓና ማካይንን ነፈርቲን የተዓናቅፍ ስለዘሎን እዩ ኢለን ከሲሰን። ሓላፊት ፕረስ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝኾነት ቢል ለኔ ስዩም ብወገና ‘መንግስቲ፣ ናብ’ቲ ክልል ንዝኣትው ኣገልግሎት ረድኤት ምቹእ ኩነታት ይፈጥር ከምዝጸንሐ ብምግላጽ ነቲ ክሲ ነጺጋቶ’። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/usaid-ocha-conserned-tigray-humanitarian-delivery-due-to-ethiopian-government--\/6011047.html"} {"headline":"በዓል ኣሸንዳ ኣብ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ ኣብ ዕለቱ ሰንበት ይኽበር","content":"ኣብ ወሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ በዓል ኣሸንዳ ሎምዘበን ብምኽንያትእቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ናፅነተንን ሰብኣዊ ክብርታተንን ተደፊረን ኣብ ስቃ፟ይ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝዝከራሉ በዓል እዩ ክኸውን ኢለን ። ኣብቲ ሰምበት ነሓሰ 22 \/2021 ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ ሓወልቲ ዝክበር በዓል ደቂ ኣንስትዮ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ንፈለማ እዋን'የን ሎምዘበንብሓንሳብ ተኣኻኺበን ከክብረኦ ተዳልየን ይርከባ ። ሳራ ፍሰሃየ ንኮሚቴ ኣሰናዳእቲ በዓል ኣሸንዳ ኣዘራሪባ`ላ No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6010330.html"} {"headline":"ሰበስልጣን ነበር ክልል ሶማሌ ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ፖልስ እቲ ክልል ኣፍሊጡ","content":"መንግስቲ ክልል ሶማሌ ብዝተፈላለዩ ገበናት ጠርጢረዮም ዝበሎም ሸውዓተ ናይ ቀደም ሰበስልጣናት እቲ ክልል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዓለ ኣፍሊጡ። ፖሊስ እቲ ክልል እቶም ተጠርጠርቲ ሰባት ኣብቲ ክልል ናይ ነገድ ግጭት ብምልዕዓል ነቲ ናይቲ ህዝቢ ለውጢ የዐንቅፉን ህውከት ይዝርግሑን እዮምዝበሉዎ ብምልዕዓል ከሲሶምዎም ኣለው። ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ተጠርጠርቲ ምርመርኦም ኣብ ቀረባ ተወዲኡ ናብ ዓቃቢ ሕጊ ከምዝልኣኽ ናይቲ ክልል ፖሊስ ምኽትል ኮሚሽነርን ሓላፊ ምፅራይ ገበንን ኮማንደር መሓሙድ ሽኽ ኣሕመድ ገሊፆም።ተጠርጠርቲ ናይ ሶማሌ ምኽትል ፕሬዝዳንት ዝነበሩ ኣቶ ዓብዱል ፈታሕ መኣሊን ናይ ፀጥታ ቢሮ ሓላፊ ዝነበሩ ዓብዱላሂ ዩሱፍ ሓዊሱ ሸውዓተ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም ኣለው ይብል ፀብፃብ ኣዲስ ቾከል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/former-offcials-of-somalia-regional-government-arresed-poice-said\/6010305.html"} {"headline":"ኣብ ደብረ ታቦር ብደብዳብ ከቢድ ብረት ስቪላት ከምዝተቐተሉ ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ጎንደር ገሊፁ","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ጎንደር እትርከብ ከተማ ደብረ ታቦር ትማሊ ብዝተተኮሰ ከቢድ ብረት ስቪላት ከምዝተቐትሉን ኣብ ዙሪያ እታ ከተማ ዘለው ጣቢያታት ሎሚ እውን ደብዳብ ከቢድ ብረት ከምዝተፈፀመንን ኣማሓዳሪ ደቡብ ጎንደርን ነበርትን ንቪኦኤ ገሊፆም። ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ጎንደር ኣቶ ቀለምወርቅ ምህረቴ ሎማዕንቲ ዝተተኮሰ ከቢድ ብረት ኣብ መንበሪ ሓረስቶት ምውዳቖምን ዝወረደ ጉድኣት ግን ከምዘይፍለጥን ተዛሪቦም። እቲ መጥቓዕቲ ስዒቡ ኣብዚ ሕዚ ስዓት ካብ ከተማ ደብረታቦር ናብ ጎረባብቲ ከባቢታት ዝመዛበል ዘሎ በዝሒ ህዝቢ እናወሰኽ ምኻዱ ተሰሚዑ ኣሎ። ትማሊ ኣብ ልዕሊ ከተማ ደብረታቦር ዝተተኮሰ ከቢድ ብረት ናይ ሓደ ስድራ ኣባላት ዝኾኑ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝቐተለን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ጉድኣት ከምዘውረደን ኣቶ ቀለም ወርቅ ምህሬቴ ንሬድዮ ኣሜሪካ ገሊፆም ኣለው። ንርእሱ ናይ ትግራይ ክልላዊ መንግስቲ ኢሉ ዝፅውዕ ዕጡቓቱ ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ጋምሳ ንዝተብሃለ ናይ ገጠር ዓዲ ብምድብዳብ ኣዕኒዮምዎ ዝብል ብ ዘ ቴሌግራፍ ንዝወፀ ፅሑፍ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ኣብ ልዕሊ ስቪላት ንዝፍፀም ዝኾነ ይኹን ናይ ጭካነ መጥቓዕቲ ብዘይማትእ ከምዝኹንን ብግላፅ መሰረት ዘይብሉ እዩ ክብል ነፂጉዎ ኣሎ።ኣብ ክልል ኣምሓራ ተፈፂሞ ዝብሃሉ ክስታት ገበናት ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ብዝስየም ኣካል ነፃ ምፅራይ ክግበር ሓቲቱ ኣሎይብል ፀብፃብ ኣስቴር ምስጋናው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/civilians-killed-in-debre-tabor-said-administrator-of-southern-gonder\/6010301.html"} {"headline":"ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኩነታት ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቡኒ ኣሎ ኢሎም","content":"ናይ ሕቡራት መንግስታት ዋና ፀሓፊ ኣንቶን ዮ ጉተረዝ ኢትዮጵያ እትርከበሉ እዋናዊ ኩነታት ኣዚዩ ከምዝተሓሳሰቦም ብምግላፅ ሕዚ ኩሎም ወገናት ወታደራዊ መፍትሒ ከምዘይብሉ ክርድኡዎ ዘለው ግዜ እዩ ኢሎም። እቶም ዋና ፀሓፊ ነዚ ዝተዛረቡ ትማሊ ዝተኸበረ ዓለምለኸ ዕለት ሰብኣዊነት ምኽኒታ ብምግባር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዙሕ ጉድኣት ወሪዱዎ ኣሎ ዝበሉ ንሶም ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ ኩነታት ክንዲ ገሃነም እዩ ኢሎምዎ።ብሚሊዮን ዝቑፀር ህዝቢ ምምዝባሉ መሰረተ ልምዓታት እውን ምዕናው ገሊፆም። ጉተረዝ ብዝተፈለየ ኩነታት ዘተሓሳስበኒ እዩ ዝበሉዎ ኩነታት ኢትዮጵያ ሰለስተ ናይ ምፍትሒ ሓሳባት ብምቕራብ ፃዊዒቶም ኣቕሪቦም ኣለው። ቀዳማይ ኩሎም ወገናት ብህፁት ግጭት ጠጠው ከብሉ፣ካልኣይ ኣብ ኩሎም ከባቢ ዘይተደረተ ሰብኣዊ ተበፃሕነት ክረጋግተፅን ሳልሳይ ኢትዮጵያዊያን ዝመርሑዎ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ልዝብ ክህሊ ኩነታት ክፍጠርን ፀዊዖም ኣለው ይብል ፀብፃብ ደረጀ ደስታ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/un-secretary-general-called-ceasefire-in-ethiopia\/6010291.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ኣብ መዳይ ልምዓት ማይን ምክልኻልን ምስ ቱርኪ ስምምዕ ምፍራማ ተገሊጹ","content":"ኢትዮጵያን ቱርክን ኣብ ዓውድታት ልምዓት ማይን ምክልኻልን ስምምዕ ተፈራሪሞም ክብል ቤት ፅሕፈት ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ ቤት ጽሕፈት እቶም ስምምዓት ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ናብ ክብ ዝበለ ደረጃ ዘሰጋገረ እዩ ኢሉ። ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎሚ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ቀዳምነት ሂቦም ዝገለፅዎን ዕዉት ነይሩ ዝበልዎን ምብፃሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ቱርኪ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም መንግስታት ዝተኻየዱ ዘተታትን ኣብ ልምዓት ማይን ምክልኻልን ዝተገብሩ ስምምዓት ነቲ ዝነበረን ንነዊሕ ዝፀንሐን ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ኣሰጋጊሩዎ እዩ ኢሎም። ንምብፃሕ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ናብ ቱርክን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ክፈጥሮ ዝኽእል ስምዒትን ኣመልኪቱ ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቀረበሎም ሕቶ ኣምባሳደር ዲና ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝተጀመረ ቁጠባዊ ርክብ ዝለዓለ ግምት ዝወሃቦ ኮይኑ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ቱርኪ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ተሰማዕነትን ኣባል ኔቶ ምዃናን ፍሉይ ጠመተ ክወሃቦ ዝግባእ ብምኳኑ ምብፃሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣብቲ ዞባ ብዙሕ ከገርም ኣይግባእን ድሕሪ ምባሎም \"ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት እትገብሮ ርክብ ብቀንዱ ኣብ ጥቅምና ዝተመስረተ ርክብ'ዩ እምበር ሃገራት ምስ ጎረባብትና ኮነ ካልኦት ዘለወን ርክብ እንታይ ይመስል ብዝብል ኣይኮነን \"ኢሎም ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%88%8D%E1%88%9D%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%88%9B%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%89%B1%E1%88%AD%E1%8A%AA-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%88%AB%E1%88%9B-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6008845.html"} {"headline":"'ናጽነት ትግራይ' ዝተባህለ ኣብ ክልል ትግራይ ዝንቀሳቀስ ውድብ ንእዋናዊ ጉዳያት ዝምልከት መግለጺ ሂቡ","content":"ናጽነት ትግራይ ዝተባህለ ኣብ ክልል ትግራይ ዝንቀሳቐስ ውድብ፡ ጉዳይ ክልል ትግራይ ብሓደ ኣካል ጥራይ ዝውሰን ስለዘይኮነ፡ ንኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ብዝሓቖፈ መንገዲ ክስራሕ ይግባእ ኢሉ። እቲ ውድብ፡ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣመልኪቱ መግለጺ ኣውጺኡ`ሎ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%8C%BD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8A%95%E1%89%80%E1%88%B3%E1%89%80%E1%88%B5-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%82%E1%89%A1\/6008817.html"} {"headline":"‘’ትግራይ ምፅባይ ይኣኽላ’’","content":"‘’ትግራይ ምፅባይ ይኣኽላ’’ \\Tigray Cannot Wait\\ ኣብ ትሕቲ ዝብልጭብጢ ካብ ዙሪያ ዓለም ዝተዓደሙ ኣጋይሽ ዝሳተፍሉ ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብን ግንዛበ ናይ ምፍጣርን ናይ ኢንተርኔት ወይ ቨርቹዋል ዋዕላ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተኻይዱ ነይሩ።እቲ ዋዕላ ከመይ ሓሊፋ ንዝብል ካብ ኣተሓባበርትን ኣቕራቢ ፅሑፍን ኣጋይሽ ዓዲምና ኣለና።ኣጋይሽና ናይቲ ዋዕላ ኣተሓባባሪ ዶክተር ሙሉጌታ ገብረእግዚኣብሄር፣ዋና ፀሓፊ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ሰሜን ኣሜሪካ ኣቶ ሚክኤል በርሀን ኣብ ኮሎሞምቢያ ስቴት ዩኒቨርስቲ ፕሮፌሰር ኣንትሮፖለጂን ፓነልስት ናይቲ ዋዕላን ዶክተር ኤሪክ ሞንጋመሪን ኩሎም ካብዚ ካብ ዩናይትድ ስቴትስ እዮም። ‘'ትግራይ ምፅባይ ይኣኽላ’’ ንልዕሊ 12 ስዓታት ኣብ ክለብሃውስ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ቨርቹዋል ወይ ናይ ኢንተርኔት ዋዕላ ዛጊድ ተፃፊፉ እንተዘይተፈለጠ እውን ልዕሊ 20,000 ዶላር ገንዘብ ከምዘታኻኸቡ ዶክተር ሙሉጌታ ይገልፅ።ዶክተር ሙሉጌታ ኣብቲ ናይ ፓናል ዘተ ዝነበረ ውዕውዕ ወይ ዝለዓለ ነጥቢ ክብል ዝገለፆ ከምዚ ክብል ይገልፅ። ኣብቲ ዋዕላ ኣብ ትግራይ ኣብ መዳይ ትምህርቲ፣ቤተ እምነት፣ታሪኽ፣ኣብቲ ህዝቢ ወሪዱ ዝብሃል ዕንወት ካብ ኣቕረብቲ ይኹን ተሳተፍቲ ብስፍሓት ተዘትይሉ።እቲ ዝወረደ ዕንወት ብምዓለምለኸ መራኸቢ ማዕኸናት፣ናይ ሕቡራት መንግስታት፣ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ፣ሕብረት ውሮፓ፣ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ህይወማን ራይትስ ዎችን ሓዊሱ እቲ ዝወረደ ጥቕዓታትን ብርሰታትን ምቕራቡ ብምግላፅ እቲ ሰብ ትርጉምን ካብዚኸ ከመይ ምልዓል ይክኣል ዝበልን ከምዝዘተየሉ ሓቢሩ። ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዋና ፅሓፊ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣቶ ሚካኤል በርሀ ካብ ቦስተን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ካብ እትምስረተሉ 1989 ኣ\\ፈ ን32 ዓመታት እንታይ ዓይነት ስራሕ ከምዝሰርሐትን ቅድሚ ክልተ ዓመት ንዝቅፀሉ ሰለስተ ዓመታት ክትሰርሖም ሒዛቶም ዝነበሩ ፍልይ ዝበለ ስትራተጂካዊ ትልሚ እንታይ ሓንፂፃ ከምዝነበረትን ኣብቲ ዋዕላ ዝርዝር ከምዘቕረበ ይገልፁ። ኣብቲ ዋዕላ ካብ መንጎ ዝነበሩ ክፍልታት ወይ Rooms ነቲ ሓደ ናይ Clubhouse Room ብምትሕብባር ከም ፓነሊስት ኮይኑ ዝሰርሕ ድማ ኣብ Michigan State University ፕሮፌሰር ኣንትሮፖሎጂ ዝኾነ ዶክተር ኤሪክ ሞንጋመሪ መብዛህቲኡ ስርሑ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪካኣብ ሃይማኖት ሰላምን ግጭትን፣ጂኦፖለቲክስ፣ዝውውር ደቂ ሰባት \/Human Trafficking\/ ፣ምምካት ግብረ ሽበራ ዘተኮረ ከምዝኾነ ብምግላፅ ንፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪካ ንነዊሕ ግዜ ክከታተል ከምዝፀንሐን ከምዝከታትልን ይግለፅ።ኣብቶም ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ድማ ይፍፀም ኣሎ ዝበሎ ምፅናት ዘርኢ ጠጠው ንምባልን ድምፂ ኣብ ምስማዕን ተፀሚዱ ከምዝርከብ ይገልፅ። ኣብዚ ኣጋጣሚ ብዙሓት ክኢላታት፣ተጋሩ ናይ ታሪኽ ምሁራን፣ገጠምቲ፣ሙዚቀኛታት፣ብዛዕባ ታሪኽ፣ባህሊ ንኣብነት ኣሸንዳ፣ሰላምን ምክእኣልን ኣብ መንጎ ሃይማኖታታ፣ብዛዕባ ናይ ኣፍሪካ ጂኦፖለቲካ፣ተዘራሪብና ኢና።ናይ ብሓቂ ብዛዕባ ዓሚቕ ባህላዊ ፀግታት ክልል ትግራይን ተጋሩን ዘቲና ኢና። ናብቲ ዋዕላ ፍልስጤማዊያን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ስለ መሬቶም ይቃለሱ ንዘለው ህንዳዊያን ሓረስቶት ዝሕለቑ፣ተጠቀምቲ መሬቶምን ማዮምንክኾኑ ዝቃለሱ ደቂ ኣባት ኢንዲያን ኣሜሪካን፣Black Lives Matters ካልኦትን ግንዛበ ክፈጥሩ ናብቲ ኣጋጣሚ ከምዝዓደሞም ይገልፅ። ዝርዝር ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/a-successful-funraising-and-awarness-creation-pro-tigrian-event-conducted-in-clubhouse\/6008843.html"} {"headline":"ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ዕጡቓት ህወሓት ጃምላዊ ጭፍጨፋ ፈጺሞም ክብል ይከስስ","content":"ኣብ ሰሜን ወሎ ወረዳ ቆቦ፡ ኣጋምሳ ኣብ ዝተባህለት ቁሸት ፡ ዕጡቓት ህወሓት ጃምላዊ ጭፍጨፋ ፈጺሞም ክብል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ከሲሱ። ወሃቢ ቃል ክልል ኣምሓራ ኣቶ ግዛቸው ሙሉነህ ሎሚ ኣብ ባህርዳር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ተፈጺሞም ዝተባህሉ ጃምላዊ ጭፍጨፋ፡ ብዝተወሃሃደ መልክዕ ንዓለም-ለኸ ማሕበረ ሰብ ንምቕራብ ብሰብ ሞያ ይጽናዕ ኣሎ ኢሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ነዚ ክሲ ዝምልከት ግብረ መልሲ ብህወሓት ዝምራሕንገዛእ ርእሱ ምምሕዳር ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኢሉ ዝጸውዕ ወኪል ኣብ ኣመሪካ እንተረኺብና ክነቅርበልኩም ኢና:: ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8C%83%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%8C%AD%E1%8D%8D%E1%8C%A8%E1%8D%8B-%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%9E%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8B%AD%E1%8A%A8-%E1%88%BD\/6008793.html"} {"headline":"“ሕድገት ዘይህብ ግዜ፤ ንምስግጋር ናብ ደሞክራያዊት ኤርትራን ርጉእ ቀርኒ-ኣፍሪቃን” ዝተሰምየ ዓውደ መጽናዕቲ ተኻዪዱ","content":"ትካል መጽናዕቲ ኤርትራውያን ንፖሊሲን ስትራተጂን ዝተሰምየ ማሕበር ተመራመርቲን ሞያውያንን ኤርትራውያን ኣብ ስደት፡ ብቐዳም 14 ነሓሰ 2021 ኣብ ካቶሊክ ዩኒቨርስቲ፡ ዋሺንግተን ዲሲ ቀዳማይ ዋዕላኡ ኣቃኒዑ። ኣብቲ ኣብ ትሕቲ “Time is of the Essence: For Transition to Democratic Eritrea and Stable Horn of Africa.” (“ሕድገት ዘይህብ ግዜ፤ ንምስግጋር ናብ ደሞክራያዊት ኤርትራን ርጉእ ቀርኒ-ኣፍሪቃን”) ዝብል ቴማ ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ጻንሖት፡ ንሽዱሽተ ኣርእስታት ኣመልኪቱ ተዛትዩ። ኣብቲ ከባቢ ሰዓት 10፡00 ንግሆ ብዝክረ-ሰማእታት ተኸፊቱ፡ ብቛንቋ ትግራኛን ዓረብን ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ቃል ድሕሪ ምቕራቡ፡ እቲ ወረቓቕቲን ውጽኢት ዘተን ብእንግሊዘኛ’ዩ ቀጺሉ። መኽፈቲ ቃል ዘስምዐ ፕረዚደንት እቲ ማሕበር ዶክተር ቶማስ ሰሎሞን፡ ንኣድላይነት ከምኡ ዝበል ሞያዊ ምትእኽኻብ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ፈለማ ንዕላማታትን ሸቶታትን እቲ ማሕበር ዘርዚሩ። ድሒሩ፡ ዶክተር ቶማስ ሰሎሞን ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር ቃለ-ምልልስ ንኣመሰራርታን ቀንዲ ዕላምታትን እቲ ማሕበር ኣመልኪቱ፡ እቲ ማሕበር ኣብ ፈለማ 2020 ኣቢሉ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝምዕብል ዝነበረ ኣሰካፊ ተርእዮ ጽሑፍ ብምውጻእ ከም ዝጀመረ ይገልጽ። ድሒሩ ግን እቲ ምጥርናፍ ዓብዩስ ሓያሎ ሞያውያን ክጠራንፍ ከም ዝበቕዐን ኣብ ኣፍልጦን መጽናዕቲን ዝተመርኰሰ ፍልጠት ዘካፍለሉ መገዲ ኣብ ከም ዝኣተወ ይገልጽ። ኣብቲ ቀዳም ዝወዓለ ዓውደ-መጽናዕቲ፡ ናይ ክብሪ ዕዱም ኰይኖም ነቲ ኣጋጣሚ ዝኸፈቱ ፕሮፈሰር በረኸት ሃብተስላሴ፡ ቃሎም ብመንገዲ መበሃህሊ ርሑቕ (ማንዛ)’ዮም ሂቦም። ፕሮፈሰር በረኸት፡ እቲ ማሕበር ከተኵረሉ ዘለዎ 10 ነጥብታት ብምዝርዛር፡ ዝያዳ ግን ኣብቲ ወሰንቲ ዝብሉወን ሰለስተ ነጥብታት ጸቒጦም ተዛሪቦም። እቲ ማሕበር ንህሉዊ ምዕለታት ሃገርናን እቲ ዞባን ኣመልኪቱ ክዓዪ፣ ኣካል ምፍልላይ ዘይኰነስ በቲ ሞያዊ ዓቕምታቱ ዜጋታት ክሓቍፍን ከቀራርብን እቲ ሳልሳይ ድማ ክህሉ ምስ ዝኽእል ሃጓፋቱ እቲ ሓቛፊ ኩሉ ዜጋ ቅዋም ስለ ዝዀነ ኣብኡ ጸቒጡ ክሰርሕ ፕሮፈሰር በረኸት ኣዘኻኺሮም። ድሕሪ ናይ ዶክተር ሳባ ተስፋሃንስ ምርቕቲ ዓውዲ ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠትን ኣፈታትሓ ግርጭታትን ንጸጋታትን ድኻማትን ድሕሪ ለውጢ ኤርትራ ኣብ ዝተኰረ ወረቐት፣ እቲ መደብ ናብ ምዕዳል ኣፍልጦን ብ”ጕጅለ-13” ተባሂሎም ዝጽውዑ ሞያውያንን ምሁራንን ኤርትራውያን’ዩ ሰጊሩ። እቶም ጉጅለ ኣብ 2000 ብ “ማኒፈስቶ በርሊን” ዝፍለጥ ደብዳበ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝጸሓፉ’ዮም። ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ገና ቅድሚ ግዜኦም ዘጠንቀቑን ኤርትራ ከይትኸዶ እትፍራሕ መገዲ ዘመልከቱን ብምዃኖም ፍሉይ ክብሪ ዝግበርኦም ምዃኖም ኣዳለውቲ ኣመልኪቶም። መንግስቲ ኤርትራ፡ (ብዛዕባኦም ብዝምልከት)፡ ሃገር ገና ብናይ ደገ ተጻብኦታት ኣብ ሓደጋ እንከላን ብናይ ደገ ድፍኢትን ንናይ ካልእ ኣጀንዳ ንምግልጋልን (ዝተበገሰ`ዩ) ብምባል’ዩ ዝገልጾ ነቲ ምትእኽኻብ። ብምቕጻል፡ ኣከታቲሉ ንተራ፡ ሓላፍነትን ተመራመርቲን ሞያውያንን ኤርትራ ንውሕስቲን ሰላማዊትን ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝብል ወረቓቕቲን መዛተዪ ዛዕባታትን ብፕሮፈሰር ኣርኣያ ደበሳይ፡ ኣቶ ኑረዲን ዓብደልቃድርን ፕሮፈሰር ኪዳነ መንግስትኣብን ቀሪቡ። ድሕሪ ነፍሲ-ወከፍ ወረቐት ተሳተፍቲ ኣብ ጉጅለ ተኸፋፊሎም ክዛተዩን ውጽኢት ክትዖም ከካፉን መድረኽ ተኸፊቱ ነይሩ። ናይ መጨረሽታ መደብ እቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ብዶክተር ኣስቴር ኣለምሰገድ፡ንሓደገኝነት ለበዳ ኮቪድ-19፡ ብሕልፊ ድማ ምስ ኤርትራ ኣተሓሒዙ ዝቐረበ’ዩ ነይሩ። ሓያሎ ካብቲ ዝቐረበ ወረቓቕቲን ዘተን ሞያዊን ኣካዳሚያዊን ትሕዝቶ ዘለዎ ደኣ ይዅን እምበር፡ ፖለቲካዊ መርገጺ እቲ ማሕበር’ውን ዘመልክት’ዩ ነይሩ። ትካል መጽናዕቲ ኤርትራውያን ንፖሊሲን ስትራተጂን ፖለቲካዊ ጸግዒ ዘለዎ ማሕበር ድዩ ንዝብል ሕቶ፡ ዶክተር ቶማስ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ምስ ዘሎ ኩነታት ንዝዀነ ነገር ካብ ፖለቲካ ነጺልካ ክትርእዮ ከም ዝኸብድን ዋላ’ኳ ሞያዊ ማሕበር ክኸውን ጥራይ እንተ ደለዩ ክጽለዉ ግድን ምዃኑን የብርህ። ትካል መጽናዕቲ ኤርትራውያን ንፖሊሲን ስትራተጂ ኣብ ዓሰርተ ንኡሳን ጨናፍር ኣተኲሩ’ዩ ዝሰርሕ(ከም ዝሰርሕ ይገልጽ)። ንሳተን ድማ ንሕርሻ ባህሪያዊ ሃብቲን፣ ባህሊን ስነ-ጥበብን፣ ቁጠባን ፋይናንስን፣ ትምህርቲን ስልጠናን፣ ሓይሊ ዕማም ንህጹጽ ሓደጋ፣ ጥዕናን ማህበራዊ ኣገልግሎትን፣ ሕጊን ጸጥታን፣ መራኸቢ ብዙሃን፣ ምሕደራ፣ ከምኡ’ውን ሳይንስን ቴክኖሎጂን የጠቓልላ። ኣባል ቦርድ ማሕበርን ኣካል ንኡስ-ጨንፈር ሳይንሳን ቴክኖሎጁን ዝዀነት ዶክተር ኤደን ተስፉ፡ ምርቕቲ ስነ-ቀመም ካብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራን ዳሕራይ ናይ ዶክተረይት ትምህርቲ ድማ ኣብ ዋሺንግተን ዩኒቨርስቲ ናይ ሰንት-ልዊስ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣተኲሮም ዝሰርሑሉ ዓውዲን ተራ ደቀንስትዮን ኣብቲ ማሕበር ንድምጺ ኣመሪካ ቃላ ሂባ ነይራ። ኣተኵሮ እቲ ኣብ ሳይንስ፡ ቴክኖሎጂን ቍጽሪን ኣመልኪቱ ዝሰርሕ ንኡስ-ጭንፈር በብእዋኑ ንዝህሉ ጠለብ ክምልስ ዝሕልን ምዃኑ ትጠቅስ። ተሳትፎ ደቀንስትዮ ወትሩ ትሕቲ’ቲ ዝድለ መጠን ደኣ ይዅን እምበር፡ ብሕልፊ እኳ ኣብ መሪሕነት እቲ ማሕበር ግን እኹል ውክልና ከም ዘሎ ትሕብር። ንጽማቝ ውጽኢት ክትዕን ለበዋታትን ብምቕራብ ዝተዛዘመ ናይቲ ዕለት ምትእኽኻብ፡ ንተሳተፍቲ ኣብ እዋን ድራርን ሙዚቃን ዝያዳ ክላለዩን ክለዋወጡን ዕድል ብምሃብ ተዛዚሙ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95%E1%8B%B5%E1%8C%88%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%85%E1%89%A5-%E1%8C%8D%E1%8B%9C-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8C%8D%E1%8C%8B%E1%88%AD-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8B%B0%E1%88%9E%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%88%AD%E1%8C%89%E1%8A%A5-%E1%89%80%E1%88%AD%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%88%9D%E1%8B%A8-%E1%8B%93%E1%8B%8D%E1%8B%B0-%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%8A%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AA%E1%8B%B1\/6007614.html"} {"headline":"ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ሚ\/ጉ\/ወ ኢትዮጵያ ተራኺቦም ተዘራሪቦም","content":"ገሊኦም መርገፅታት ኣመሪካ ህወሓት ዘይሕጋዊ ተግባራቱ ንኽቅፅለሉ ዘተባብዑ እዮም ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊፁ ። ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃእን ደመቀ መኮንን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ጄፍሪ ፌልትመን ተራኺቦም ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ዘትዮም። ህወሓት ካብ ተግባራቱ ንኽቁጠብ ኣመሪካ ብግልፂ ክትኩንኖ ኣቶ ደመቀ መኮንን ምሕታቶምን፤ ኣምባሳደር ጄፍሪ ፌልትማን ብወገኖም እቲ ቅልውላው ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ሓቲቶም ክብሉ ነቲ ዘተ ኣመልኪቶም ንድምጺ ኣመሪካ መብርሂ ዝሃቡ ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ተዛሪቦም። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ ቱርኪ ኣትዮም ኣለዉ ። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ቱርኪ ቅድሚ ምኻዶም ትማሊ ሰሉስ ኣብ ኤርትራ አላጊሶም ምንባሮም ምንጭታት ካብ ኣስመራ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም።ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራርቦም ሰበስልጣን ኤርትራ ኣወንታ ይኹን ኣሉታ ኣይሃቡሉን። ብመሰረት መብርሂ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እቶም ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣባላት እዚ ሰሜን ፈፂሙዎም ንዝተባህለ ሓደጋ ሓዊሱ ስጋብ ሐጂ ንዘለዉ ተግባራቱ ዘርዚሮም ኣረዲኦምዎም ክብል ሓቢሩ። ንዘተ ክልቲኦም ኣመልኪቶም ድምጺ ኣመሪካ መብርሂ ዝሃቡ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳይት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ከምዝበልዎ ህወሓት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ይፍፅሞም ንዘሎ ዘይሕጋዊ ተግባራት ንኽቅፅለሉ ገሊኦም መርገፅታት ኣመሪካ ዘተባብዕዎን ናብኡ ዝወገኑን እዮም ስለዝኾነ ህወሓት ካብ ተግባራቱ ንኽቁጠብ ኣመሪካ ብግልፂ ክትኩንኖ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳይት ወፃኢን ደመቀ መኮንን ሓቲቶም ኢሎም። \"ብመዳይ እቶም ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ጉዳያት ወፃእን ኣብዚ ጉዳይ ንመፃኢ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም መንግስቲ ኣመሪካ ሓደሓደ ዝወስዶም መርገፅታት ግልፅነት ዝጎደሎምን ናብቲ ዘይሕጋዊ ጊጅለ ዘዳለዉ ከምዝመስሉ ፣ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ተግባራቱ ንክቅፅል ዘተባብዕዎ ምዃኖም ገሊፆም ፤ መንግስቲ ኣመሪካ ንርክብ ክልቲኤን ሃገራትን ንሰላም ሃገራት እቲ ኸባብን ክበሃል ብግልፂ እቲ ሓይሊ ይፍጽሞ ዘሎ ተግባር ብፍላይ እቲ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቃስ ጠጠው ከብል ብግልፂ ቋንቋ ተዛሪቦሞም ።\" ኣምባሳደር ጄፍሪ ፈልትማን ብወገኖምኣመሪካ ኣብ ሉኣላውነትን ሓድነትን ኢትዮጵያ ዘየማትእ መርገፂ ከምዘለዋ ብምግላፅ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ብሰላማዊ መንገዲ ክፍፅሕ ሓቲቶም ክብሉ ኣምባሳደር ዲና ተዛሪቦም ። \" ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ዝያዳ ንንምሕያል ከምዝድለ ብወገኖም ዘሎ ድልየት ኣልዒሎም እዮም ። ይኹን 'ምበር ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ዘሎ ቅልውላው ብሰላም ክፍታሓ ኣብ ዝኽእለሉ መንገዲ ኣድሂቦም እዮም ዘተ ኣካይዶም።\" ይኹን'ምበር ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ ኣትሒዙ መንግስቲ ምስ ሕወሓት ዘለዎ ኣፈላላይ ንምፅባብ ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ሰላም እንተቅረበ'ውን ህወሓት ክቅበሎም ዘይምኽኣሉ ኣቶ ደመቀ መኮንን ንኣምባሳደር ጄፍሪ ፌልትማን ኣብሪሆምሎም ። \"ስለዝኾነ ድፍኢት ክግበረሉ ዝግባእ ብግብረሽበራ ንዝተበየነ ህወሓት እዩ\" ምባሎም ኣምባሳደር ዲና ወሲኾም ገሊፆም። ህወሓት ብወገኑ መንግስቲ ፌደራል ኣማራፅታት ዘተ ክቅበል ከምዘይደሊ ክገልፅ ምፅንሑ ዝዝከር እዩ። ስምምዕ ሰላም ምቁራፅ ተፃብኦ ንኽትግበር ዝተፈላለዩ ነጥብታት ቅድመ ኹነት ዘቀመጠ ህወሓት ፤ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝኣተወሉ ምኽንያት መንግስቲ ነቶም ዘቀመጦም ቅድመ ኹነት ንኽቅበልን ብኹሉ ኣንፈታት ክልል ትግራይ ዝተዓፅዉ በርታት ንኽኽፈቱ ፅዕንቶ ንምግባር እዩ ምባሉ ይፍለጥ ። ኣብዚ እዋን ነቲ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ብመዳይ መንግስቲ ምስ ሕወሓት ዝገብሮ ዘተ ክህሉ 'ዶ ይኸእል ክብል ዝቐረበ ሕቶ ኣምባሳደር ዲና ኣብዚ እዋን መንግስቲ ብዘቀመጦ ኣንፈት ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ንፓርቲታት ፖለቲካ ክልል ትግራይ ሓዊሱ ምስ ኩሎም ፓርቲታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዘተ የካይዱ ምህላዉ ገሊፆም ። ኣምባሳደር ጄፍሪ ፌልትማን ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ክራኸቡ መደብ ከምዘይነበሮም ኣምባሳደር ዲና ሓቢሮም ። ኣብቲ ቅድሚ ሐዚ ናብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ምብጻሕ ግን ምስቶም ቀዳምይ ሚኒስትር ተራኺቦም ምዝታዮም ኣብቲ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ኤምባሲ ኣመሪካ ገሊፁ ነይሩ ። ትማሊ ምስ ኣቶ ደመቀ መኮንን ዝዘተዩ ኣምባሳደር ጄፍሪ ፌልትማን ሎሚ ድማ ምስ ሚኒስትር ሰላም ሙፈሪሃት ካሚልን ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ዶ\/ር ጌድዎን ጢሞትዎስን ክዝትዩ ምዃኖም ኣምባሳደር ዲና ተዛሪቦም ። ቅድሚ ናብ ኢትዮጵያ ምብፆሖም ናብ ጁቡቲ ከይዶም ዝነበሩ ኣምባሳደር ጄፍሪ ፌልትማን ኣብዚ ጉዕዘኦም ናብ ሕቡራት ሃገራት ዓረብ ኤምሬት'ውን ክበፅሑ እዮም ። ይኹን'ምበር ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ዝገብርዎ ምብፃሕ ንጉዳይ ኢትዮጵያ ዝምልከት ይኹን ኣይኹን መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ኣምባሳደር ዲና ገሊፆም ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ንስራሕ ንምብፃሕ ናብ ቱርኪ ምኻዶምን ኣብዚ እዋን ኣንከራ ከምዝርከቡን ቤት ፅሕፈቶም ሎሚ ኣፍሊጡ ። ከምኡ'ውን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ቅድሚ ናብ ቱርኪ ምብራሮም ንሓደ መዓልቲ ኣብ ኤርትራ ምብፀሖም ፀብፃባት ካብ ኣስመራ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም ። ይኩን 'ምበር ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ሰበስልጣናት መንግስቲ ግን ነዚ ከረጋግፁ ኣይከኣሉን ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%8D%E1%88%89%E1%8B%AD-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%95%E1%89%80%E1%88%AD%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/6007536.html"} {"headline":"ክልል ቤንሻንጉል ኣብ ልዕሊ ግድብ ህዳሴ መጥቓዕቲ ከካይዱ ይዳለው ኔሮም ዝበሎም ዕጡቓት ስጉምቲ ምውሳዱ ኣፍሊጡ","content":"ቢሮ ሰላምን ህንጸትን ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ \"ኣብ ልዕሊ 170 ዕጡቃት ዴሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ህዝቢታት ጉሙዝን ዕጡቃት ህወሓትን ስጉምቲ ወሲደ\" ከምዝበለ ዝመጸና ዜና ኣፍሊጡ። ሓላፊ’ቲ ቢሮ ኣቶ ኣብዮት ኣልቦሮ \"እቶም ዕጡቃት፣ ዝሓለፈ ሰንበት፣ ናብ ግድብ ህዳሴ ዝወስድ መገዲ ቆሪጾም መጥቃዕቲ ንክፍጽሙ ይዳለው ነይሮም\" ኢሎም። ነዚ ብዝምልከት ግብረ መልሲ ንክህቡ ዝተሓተቱ ወኪል ንመቐለ ዘመሓድር ዘሎ ብህወሓት ዝምራሕ ንገዛእ ርእሱ ምምሕዳር ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝብል ፡ \"ነዚ ኣብ ሓሶት ዝተመርኮሰ ጠቀነ፣ ግብረ መልሲ ምሃብ ኣየድልዮን\" ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%A4%E1%8A%95%E1%88%BB%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1-%E1%8B%AD%E1%8B%B3%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%8A%94%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%88%B5%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8B%B1-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6007515.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ብዝሃረመ ከቢድ ዝናብ ሸሞንተ ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ በረድ ሓዊሱ ትማሊ ሶሉስ ዝሃረመ ዝናብ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ከተማ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከምዝወረደ ኮሚሽን ስራሕ ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ገሊፁ። ኣብ ንፋስ ስልኪ ክፍለ ከተማ ላፍቶ መካኒሳ ካብ መንጎ ነበርቲ ቐፅሪ መካነ እየሱስ ቤተ ክርስቲያን ህይወት ሸሞንተ ሰባት ምጥፍኡ እቲ ኮሚሽን ሓቢሩ። ናይቲ ቤተ ክርስቲያን ፕረዚደንት ቀሺ ዮናስ ይገዙ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ሓሙሽተ መራሕቲ ስድራ እውን ጉድኣት ወሪዱ ኣሎ ኢሎም። ኣብ ካልኦት ክፋላት እታ ከተማ ብሰንኪ እቲ ዝናብን ውሕጅን ዝወረደ ጉድኣት ንብረት ዛጊት ኣይተፈለጠን።ምኽትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ህይወቶም ንዝስኣኑ ሓዘንን ብምግላፅ ንዝተጎድኡ ንምጥያሽ ምምሕዳር እቲ ከተማ ከምዝሕግዝ ሓቢረን ኣለዋ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%83%E1%88%A8%E1%88%98-%E1%8A%A8%E1%89%A2%E1%8B%B5-%E1%8B%9D%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%B8%E1%88%9E%E1%8A%95%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/6007414.html"} {"headline":"ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ይቆጻጸሩ፡ ኣብታ ሃገር ተዓስኪሮም ዝነበሩ ወተሃደራት ኣመሪካ ዝተሓዋወሰ ግብረ-መልሲ የርእዩ","content":"ካብቶም ኣብ ፈለማ ናብ ኣፍጋኒስታን ዝተለአኹ ሓያሎ ወተሃደራትን ኣዘዝቲን ድሕሪ 20 ዓመታት እታ ሃገር ናብ ኢድ ጣሊባን ክትምለስ እንከላን ኣመሪካ ኣብ እትወጸሉን ሰዓታት ዝተሰምዖምን ርእይቶኦምን ንድምጺ ኣመሪካ አካፊሎም ኣሎ። ኣብቲ ኣብ ግዝኣት ሚዙሪ ዝርከብ ገዛኡ ኰይኑ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርአ ዘሎ ገስጋስ ኣብ ቴለቪዥን ዝዕዘብ ዝነበረ ስቲቭ ሃቸርሰን ንዝርኣዮ ክኣምን ኣይከኣለን። ኣባል ፍሉይ ኣሃዱ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝነበረ ሃቸርሰን፡“ምርኣዩ ዝከኣል ኣይኰነን። ሰይጎን ክትተሓዝ እንከላ ዘርኢ ምስሊ እንተ ተዓዚብካ ልክዕ ንዕኡ’ዩ ዘዘኻኽር። ክንደይ ክቡር ህይወትን ጸጋታትን ኣጥፊእናስ ከምዚ ኢሉ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ክፈርስ የሕዝን”ይብል ። ካብቶም ኣብ 2002 ናብ ኣፍጋኒስታን ዝተላእኩ ቀዳሞት ኣመሪካውያን ዝዀነ ሃቸርሰን፡ ንዳግመ-ምቁጽጻር ጣሊባን ኣብ ውልቁ ከም ዝመጾ’ዩ ዝርእዮ። ኣብቶም ኣሃዱ ክትትል በረራታት ዝዓዪ ዝነበረ ሃቸርሰን፡ ን20 ዓመታት ብሰላም ምሕላፉ’ውን ኣመሪካ ዘበገስቶ ተልእኾ ብዓወት ከም ዝዛዘመት ይገልጽ። እቲ ኣባል ሓይሊ ኣየር ነበር ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝጀመረቶ ደሞክራሲ ናይ ምስራጽ ፈተነ ግን “ተዓዋቲ ዘይብሉ ኲናት” ተካይድ ምንባራ ይሕብር ።ንሓሳባት ብሓሳብ እምበር ብኣጽዋርን ሰራዊትን ምስዓሩ ከም ዘይከኣል፡ እቲ ፈተነ ደሞክራሲ ከም ዝፈሸለ ከኣ ይገልጽ። ሮንዳ ላውሰን፡ ቅድሚ 20 ዓመት ኣብቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝነበረ ዝዓበየ መዓስከር ሓይሊ-ኣየር ኣመሪካ ኰይና ንኣፍጋናውያን ስልጠና ኣብ ምሃብ’ያ ትሰርሕ ነይራ። ሕጂ ኣብ መሪላንድ ኰይና ነቲ ምልውዋጥ ሓይሊ ክትዕዘቦ እንከላ፡ “እቲ ምእማኑ ዘጸግም ቅልጣፈ ናይቲ ፍጻመታ’ዩ” ትብል። “ወተሃደራት ኣፍጋኒስታን ሃገሮም ክከላኸሉ ድሉውነት ውሑዲዎም ድዩ ወይስ ብርታዐ ናይ ጣሊባን’ዩ ክፈልዮ ኣይከኣልኩን። ብሓፈሻ ግን ኣዝዩ ዘሰንብድ’ዩ።” ንኸም በዓል ዳን ምዩለር ዝኣመሰሉ፡ ክልተ ግዜ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዓስኪሮም ዝነበሩ ወተሃደራት ኣመሪካ ግን ምስሓብ ሰራዊት ኣመሪካ ግድንን ክኸውን ዘለዎን’ዩ። ብዅሉ ወገናታ ዘይጥዕምቲ ዝዀነት ኣፍጋኒስታን፡ ህላወ ሰራዊት ኣመሪካ ድሕሪ 20 ፍጹም ኣድላይነት ከም ዘይብሉን ምናልባት ጣሊባን ካብ መስመር ዝወጽእ እንተ መሲሉ ድማ ዘድሊ ግብረ-መልሲ ምሃቡን ምዃኑ ምዩለር ይዛረብ። ጣሊባን ዳጋም ንኣፍጋኒስታን ኣብ ዝቆጻጸረሉን ሓያሎ ዜጋታት ነብሶም ከድሕኑ ይፍትኑ ኣብ ዘለዉሉን ግዜ፡ መጻኢ እታ ሃገር ገና ኣይነጸረን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%A3%E1%88%8A%E1%89%A3%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%8C%8B%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%89%86%E1%8C%BB%E1%8C%B8%E1%88%A9-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%88%B5%E1%8A%AA%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A9-%E1%8B%88%E1%89%B0%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%93%E1%8B%8B%E1%8B%88%E1%88%B0-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%8B%A8%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%A9\/6007412.html"} {"headline":"ዓቃብ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ኣመራርሓን አባላትን ህወሓት ዝመስረቶ ክሲ ኣብ ቤርት ፍርዲ ተሰሚዑ","content":"ንዶ\/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ላዕለዎት ኣመራርሓን ኣባላትን ህወሓት ዓቃቢ ሕጊ ዝመስረተሎም ክሲ ሎሚ ኣብ ቤትፍርዲ ብንባብ ተሰሚዑ። ጠበቃታት ተኸሰስቲ፣ ዓማዊሎም ብዋሕስ ክፍትሑ ክሓቱ ከለዉ ዓቃቢ ሕጊ ድማ ተቃዊሙዎ። ቀዳማይ ደረጃ ተቃውሞ ክሲ ተኸሰስቲ ንምቅባል ቤት ፍርዲ መዓልቲ ቆፀሮ ሂቡ ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%89%83%E1%89%A5-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%AD%E1%88%93%E1%8A%95-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%A8%E1%89%B6-%E1%8A%AD%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%A4%E1%88%AD%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%88%9A%E1%8B%91\/6006107.html"} {"headline":"ላዕለዋይ ኣባል መሪሕነት ሳልሳይ ወያነ ብርክት ዝበሉ ክስታት ተመስሪቱዎ","content":"ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ተኣሲሮም ዝርከቡ ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢን ርክባት ፖለቲካዊ ውድባትን ሳልሳይ ወያነ ኣቶ ሃይሉ ከበደ ብርክት ዝበሉ ክስታት ከምዝቐረቦምን ተፈሊጡ። ትንሳኤ ናይ ዝተብሃለ ትካል ገባሪ ሰናይ መስራቲትን ሓላፊትን መንእሰይ ገነት ብርሃኑ ( ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ሄቨን ብዝብል እትፍለጥ) ድማ ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ማዕልታት ማእሰርቲ ብዋሕስ ከምዝተፈትሐት ካብ ናይ ክልቲኦም ጠበቓታት ሓደ ዝኾኑ ኣቶ ክሩቤል ገብረእግዛብሄር ገሊፆም። ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢን ርክባት ፖለቲካዊ ውድባትን ሳልሳይ ወያነ ዝኾኑ ኣቶ ሃይሉ ከበደ ዝሓለፈ ዓርቢ 7 ነሓሰ 2013 ዓ\/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብፖሊስ ተኣሲሮም ቀዳም ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ብዋሕስ ክወፁ ቤት ፍርዲ እንተወሰነ እውን ከይተፈትሑ ፀኒሖም መርማሪ ፖሊስ ትማሊ ሶኑይ ይግባይ ስለዝበለ ንድሕሪ ፅባሕ ሓሙስ ቆፀሮ ከምዝተውሃቦም ብዓል ሙያን ጠበቓን ሕጊ ኣቶ ክሩቤል ገብረ እግዚኣብሄር ገሊፆም።ኣብ ልዕሊ ኣቶ ሃይሉ ካብ መንጎ ዝቐረቡ ብርክት ዝበሉ ክስታት ኣብ ናይ ትግራይ ምርጫ ተሳቲፍካ ኣብ ቶጎጎ ዝተፈፀመ ዳብዳብ ነፈርቲ ብምዝርጋሕ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ምርሕሓቕ ፈጢርካ ኣብ ግጭት ትግራይ ተሳቲፍካ ከይትኸውን ንጥርጥረካ ዝብሉን ካልኦትን ከምዝርከቡዎ ኣቶ ክሩቤል ሓቢሩ። ካብቶም ጠበቓታት ሓደ ምዃኖም ዝገለፁ ኣቶ ክሩቤል መስራቲትን ሓላፊትን ትንሳኤ ናይ ዝተብሃለ ገባሪ ሰናት ትካል ገነት ብርሃኑ ( ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ሄቨን ብዝብል እትፍለጥ)ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት እቲ ትካል ካብ ዩኒቨርስቲ ደብረማርቆስ ዝመፁን ሓገዝ ክቕበሉ ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ዝተረኸቡን ተምሃሮ ሓዊሱ ሓሙሽተ ሰባት 6 ነሓሰ ተኣሲሮም ትማሊ ሶኑይ ብዋሕስ ተፈቲሖም ኢሎም።ኣብ ልዕሊኦም ካብ ዝቐረቦም ክስታት ን’’ጁንታ ትሕግዙ ኢኹም’’ ዝብል ይርከቦም ብመሰረት ብዓል ሙያ ሕግን ጠበቓን ኣቶ ክሩቤል ገብረእግዚኣብሄር። እቲ ማሕበር ሕጋዊ ኣፍልጦን ፍቓድን ዘለዎም ምዃኑ ኣቶ ክሩቤል ወሲኾም ገሊፆም።ትንሳኤ ገባሪ ሰናይ ብኲናት ትግራይ ንዝተፀገሙ ወገናት ዝተፈላለዩ ሓገዛት ከቕርብ ዝፀንሐ ትካል እዩ። ቁፅሩ ንምግላፅ እንተተፀገሙ እውን ንብዙሓት ተኸሰስቲትን ናይ ክሲ ጉጅለታትን ዝከራኸሩ ብዙሓት ናይ ጠበቓታት ጉጅለታት ከምዘለው ዝሓበሩ ብዓል ሙያ ሕግን ጠበቓን ኣቶ ክሩቤል ገብረእግዚኣብሄር ንሶም ዝሳተፉሎም ኣብ ውሽጦም ካብ ሓደ ክሳብ ሓሙሽተን ልዕሊኡን ተኸሰስቲ ዝሓቖፉ ልዕሊ ሰላሳ ናይ ክሲ ጉጅለታት ጠብቓ ኮይኖም ይከራኸሩሎም ከምዘለው ሓቢሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/a-sinior-members-of-opposition-party-of-salsay-weyane-hailu-kebede-is-accused-of-varous-charges-said-his-lawyer\/6006088.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ ሃዋሳ መጥቓዕቲ ግብረሽበራ ክፍጹሙ ይዳለው ኔሮም ዝተባህሉ ውልቀሰባት ኣብ ቐይዲ ምእታዎም ተገሊጹ","content":"ኣብ ሃዋሳ መጥቃዕቲ ግብረሽበራ ንክፍጽሙ ተዳልዮም ነይሮም ንዝበሎም ጥርጡራት ከምዝሓዘ፣ ቢሮ ሰላምን ጸጥታን ክልል ሲዳማ ኣፍሊጡ። እቶም ጥርጡራት ዝተባሃሉ ዝተታሓዙ ምስ 16 ቦምብታት ከምዝኾነ’ውን እቲ ዜና ጠቂሱ። ቢሮ ሰላምን ጸጥታን ኦሮምያ ብወገኑ ‘ኦነግ ሸኔ’ ኢሉ ንዝጸወዖ ጉጅለ ምስ ሓይሊታት ክልል ኦሮምያ ኣብ ቅሉዕ ውግእ ከምዝኣተወን፣ 'መገዲ ሞያሌ ተዓጽዩ’ ዝብል ሓበሬታ ግን ሓሶት ምዃኑ ይገልጽ። ብካልእ ወገን፣ ኣብያተ ጽሕፈት ጸጥታ ክልላት ሲዳማ፣ ኦሮምያን ደቡብን፣ ምስ ህወሓት ወጊኑ ንኢትዮጵያ ንምብታን ውዲት ፍሒሱ ንዝበልዎ ንገዛእ ርእሱ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ሓይሊ ብሓባር ንምግጣም ሎሚ ኣብ ሃዋሳ ከምዝተሰማምዑ እቲ ዜና ይጠቅስ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%83%E1%8B%8B%E1%88%B3-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%BD%E1%89%A0%E1%88%AB-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%8C%B9%E1%88%99-%E1%8B%AD%E1%8B%B3%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%8A%94%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%89-%E1%8B%8D%E1%88%8D%E1%89%80%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%90%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6006081.html"} {"headline":"ፈስቲቫል ኤርትራውያን ሰሜን ኣመሪካ ተጸንቢሉ","content":"መበል 47 ዓመታዊ ጽንብል በዓል ፈስቲቫል ኤርትራውያን ሰሜን ኣመሪካ ቀዳምን ሰንበትን 14ን 15ን ነሓሰ,2021 ኣብ ዋሺግተን ዲሲ ተኻዪዱ። ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል ኤርትራውያን ኣመሪካውያን ከምቲ ናይ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዘይኮነስ፡ ብጥርኑፍ ኣገባብ ኣብ ሓደ ቦታ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ`ዩ ተኻይዱ። ኣብቲ ንክልተ መዓልታት፡ ቀዳመ-ሰንበት፡ መምርሕታት ኮቪድ ተኸቲሉ ዝተኻየደ ፈስቲቫል ኤርትራ፡ ካብ ዝተፈላለያ ግዝኣታት ኣመሪካ ዝመጹ ኣስታት ሓደ ሺሕ ዝኾኑ ተሳተፍቲ ተረኺቦም ኔሮም። ፍሉይ መለለይ ዓመታዊ ፈስቲቫላት ብዝተፈላለያ ግዝኣታት ዝቖማ ቁሸታት ማለት ዳሳት ክኾና ኸለዋ፡ ሎሚ ዓመት`ውን ንኹለን ብሄራት ኤርትራ፡ ባህልን ጥበብን ብዘንጸባርቕ መንገዲ ብመጠኑ ተደኩነን ኔረ። እተን ቁሸታት ብተወሳኺ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ማሕበረ-ኤኮኖሚያዊ ኩነታት ንምጉላሕ ጻዕርታት ከምዝገበራ`ውን ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦምን ወከልቲ ይገልጹ። ናይ`ቲ በዓል ቀንዲ ዛዕባ ዝነበረ ብጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣቶ ኣላሚን መሓመድ ስዒድ ካብ ኣስመራ ብርሕቀት ዝሃቦ ሰሚናር ክኸውን ከሎ፡ ንሱ ኣብ ዘርብኡ፡ “ኤርትራ ተጻብኦታት ሰጊራ ምሉእ ዓቕማ ናብ ማሕበረ-ኤኮኖሚያዊ ዕብየት ገጻ ኣብ ትምልሰሉ እዋን፡ ዞባዊ ተጻብኦታት ሕጂ`ውን ስለዘየብቅዐ ብምሉእ ዓቕማ ናብ ልምዓታዊ ለውጢ ከተድህብ ኣይክኣለትን፡” ኢሉ። ይኹን`ምበር ነቲ ዝተለምናዮ ዕላማ ስግኣት ዝነበረ ለበዳ ኮቪድ 19 ተቖጻጺርና እቲ ዝኸበደ ዞባዊ ተጻብኦ`ውን ሰጊርና ኣብ ዝሓሸ ውሑስ ኩነታት ስለዘለና ዘሰክፈና ነገር የለን ኢሉ። ብዛዕባ ፖለቲካዊ ኣርእስቲ ግን ኣየልዓለን። No media source currently available ፈስቲቫል ኤርትራ 2021 ዋሺንግተን ዲሲ፡ ዝተፈላለዩ ኣብ ኤርትራ ዝፈርዩ ነገራት`ውን ኣላልዩ ነይሩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ካብ ኤርትራ ዝመጹን ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝጸንሑን ስነ-ጥበበኛታት ናይ ባህሊ መደብ ከቕርቡ እንከለዉ፡ ንህሉዊ ኩነታት ዝምልከት መጽናዕታዊ ጽሑፋት’ውን ቀሪቡ ነይሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%88%E1%88%B5%E1%89%B2%E1%89%AB%E1%88%8D-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%89%B0%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%89%A2%E1%88%89\/6004549.html"} {"headline":"ኣብ ምምሕያሽ ቆጠብቲ ጸዓት ኤለክትሪክ ዝነጥፍ በዓል ሞያ ኤለክትሪክ","content":"እስቲፋኖስ ኣስናቀ ይበሃል።ኣብ ደቀምሓረ ዝነበር፡ኣብ ምምሕያሽ ቆጠብቲ ጸዓት ሞጎጎታት ዝነጥፍ በዓል ሞያ ኤለክትሪክ’ዩ።ጠንቂ ምብራስ ኣግራብ ንዝኾነ ናይ ዕንጸይቲ ሞጎጎን ሞቕሎን ኣመሓይሹ ብምስራሕ ምብራስ ኣግራብ ንምጉዳልን ካብኡ ሓሊፉ’ውን ንምውጋዱን ሓሊኑ ይሰርሕ ከምዘሎን ድሮ’ውን ሃልኪ ኤለክትሪክ ብፍርቂ ተጉድል ሞጎጎን ብኤለክትሪክ እትሰርሕ ሞቕሎን ከምዝሰርሕን ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቡ’ሎ።ምስራሕ ናይ’ዘን መብሰሊ መግብታት ብዓብዩ ኣብ ምክልኻል ምብራስ ኣግራብ ካብ’ኡ ሓሊፉ’ውን ወጻኢታት ኣብ ምጉዳል፡ጥዕና ኣብ ምሕላውን ኣሳልጦን ረብሓታት ከምዘለዋ እስቲፋኖስ ተዛሪቡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%AB%E1%88%BD-%E1%89%86%E1%8C%A0%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%8C%B8%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%88%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%88%AA%E1%8A%AD-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%8C%A5%E1%8D%8D-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%88%9E%E1%8B%AB-%E1%8A%A4%E1%88%88%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%88%AA%E1%8A%AD\/6004756.html"} {"headline":"ኣብ ገለ ዞባታት ምዕራብ ኦሮምያ ኣገልግሎት መጉዓዝያን ኢንተርነትን ምቁራጹ ነበርቲ ገሊጾም","content":"ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዝርከባ ሓደሓደ ዞባታትን ከተማታትትን ኣገልግሎት መጓዓዝያን ኢንተርኔትን ምቁራፁ ነበርቲ እተን ከባቢታት ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቦም ። ቤት ፅሕፈት ርክባት ኦሮሚያን ፓርቲ ብልፅግና ኦሮሚያን ብወገኖም \"ንባዕሎም ግንባር ናፅነት ኦሮሞ \" እናበሉ ዝፅውዑን መንግስቲ ድማ \"ኦነግ ሸኔ\" እናበለ ዝፅወዖም ዕጡቃት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝሓዝዎ ብዙሕ ቦታ ከምዘየለ፡ እንተኾነ ሓሓሊፎም መገዲ ክዓፅዉ ከምዝፍትኑ ሓቢሮም ኣለው። ብኻልእ ወገን ኣብ መብዛሕቲኦም ከባብታት ኣርባዕቲኦም ዞባታት ወለጋ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ምቁራፁ ዘረጋገጹ ሓላፊ ኢትዮ ቴሌኮም ዞባ ምዕራብ \" ብቴክኒካዊ ፀገም ምኽንያት ዝተቋረፁሎም ከባቢታት ንምትዕርራይ ንሰርሕ ኣለና\" ኢሎም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%88%E1%88%88-%E1%8B%9E%E1%89%A3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%89%E1%8B%93%E1%8B%9D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%89%81%E1%88%AB%E1%8C%B9-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/6004729.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ትካላት ሻራዊ ፖለቲካዊ አጀንዳ ሒዘን ይሰርሓ ኣለዋ ንዝብል ክስታት ነጺግዎ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ቤት ፅሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃንን ስሩዓት መራኸቢ ብዙሃንን ናይ ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ ትካላትን መሻርሕትን ኣብ ኢትዮጵያ ሻራዊ ፖለቲካዊ ኣጀንዳታት ሒዘን ይሰርሓ ኣለዋ ክብላ ምግላፀን ኣዚዩ ዘሻቕል እዩ ኢሉ። እቲ ትካል ሎሚ ሶኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ብሕቡራት ሃገራትን መሻርኽቱን ዝቐርብ ሰብኣዊ ሓገዛት ብኣርባዕተ መሰረታዊ መትከላት ሰብኣውነት፣ ዘይሻራዊነት፣ ብዘይኣድልዎን ብነፃነት ይሰርሕ ይብል። በዞም መትከላት እዚኦምን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምውህሃድን ሕቡራት ሃገራትን መሻርኽትን ኣብ ክልላትን ምምሕዳራት ከተማን ሓገዝ ንዘድልዮም ኩሎም ኣገዳሲ ሓገዝ እናገበሩ እዮም ይብል: ብምቕፃል ብጭቡጥ፣ገለልተኛ ብዘይኣድልዎን በቲ ፀገም ንዝተተንከፉ ህዝብታት ማእኸል ገይሮም ይሰርሑ ኣለው ኢሉ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%BB%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%A0%E1%8C%80%E1%8A%95%E1%8B%B3-%E1%88%92%E1%8B%98%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%88%93-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8B-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%AD%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%90%E1%8C%BA%E1%8C%8D%E1%8B%8E\/6004709.html"} {"headline":"ኢዜማ ንእዋናዊ ኩነታት ዝምልከት መግለጺ ሂቡ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ልኡላውነትን ድሕነት ህዝብን ናይ ምኽባር ወፍሪ ግብረ ሓይሊ ከጣየሽ ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ) ፀዊዑ። ንህወሓት ደጊፍኩም ብዝብል ዝውሰዱ ናይ ጅምላ ስጉምትታት ብህፁፅ ደው ክብሉን ቅልጡፍ ናይ ምፅራይ ስራሕ ክስራሕን እቲ ፓርቲ ሓቲቱ ኣሎ። ኢዜማ ሎሚ ሶኑይ ኣብ ዝፀውዖ ጋዜጣዊ መግለፂ ብመሰረት ዝዘርግሖ ናይ ፅሑፍ መግለፂ ኣኽራሪ ብሄርተኛታት ምስ ዝብሎም ህወሓት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝፈጠሮ ጥምረት ንሓድነትን ሰላም ኢትዮጵያ ካብ ዘሎ ሓደጋ ብተወሳኺ ንናይ ኢትዮጵያ ናይ ወፃኢ ፀላእቲ ዝበሉዎ መሳርሒ ብምዃን ኣብታ ሃገርን እዚ ዞባን ሓደጋ ከምዝፈጥር ኣገንዚቡ ኣሎ። ናይቲ ፓርቲ ፀሓፊ ኣቶ ኣበበ ኣካሉ ነቲ መግለፂ ብምንባብ ከምዝበሉዎ \"እዚ ኣብ ኩላትና ኣንፀላሊዩ ዘሎ ሓደጋ ብብቕዓት ንምምካትን ንምትራፍን ኩላትና ብሓድነት ኣተኣኻኺቡ ከሰልፍ ዝኽእል ፌደራል መንግስቲ ብምዃኑ መንግስቲ ነዚ ግቡኡ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ብዝለዓለ ብቕዓት ክዋፃእ ወታሃደራዊ፣ዓለምለኻዊ ርክባትን ፖሮፖጋንዳን ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉን ዜጋታት ምሕጋዝ ዝከታተል ሃገራዊ ልኡላውነትን ድሕነት ህዝብን ናይ ምኽባር ግብረ ሓይሊ ብቕልጡፍ ክጣየሽን ናብ ስራሕ ክኣትውን ንሓትት’’ ይብል። እቲ ፓርቲ ኣተሓሳሲቡኒ ዝበሎ ካልእ ጉዳይ ንህወሓት ትድግፉ ኢኹም ዝተባህሉ ሰባት ብጅምላ ተኣሲሮም ዝበል እዩ።ዝፍፀም ማእሰርቲ ብብቑዕ መረዳእታን ምፅራይን ዝተመስረተ ክኸውን ከምዘለዎ ኣቶ ኣበበ ኣካሉ ገሊፆም።ቅድም ክብል መግለፂ ናይ መእረምታ ስጉምቲ ክውሰድ ከምዘውፅዑ ብምሕባር ሕጂ እውን ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ሓድነትን ሰላምን ዘንፀላለወ ሓደጋ ንምቕልባስ ዝውሰድ ስጉምቲ ንባሪ ሓቢርካ ምንባር ብዘይጎድእ መልክዑ ሕግን ስርዓትን ተኸቲሉ ክውሰድ ከምዘለዎ እናዘኻኸርና ናይ ዜጋታት ሰብኣዊ መሰላት ብዘይኣፈላላይ ብማዕረ ክኽበር ፃውዕትና ነሕልፍ ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%8B%9C%E1%88%9B-%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%82%E1%89%A1-\/6004671.html"} {"headline":"ትካል መጽናዕቲ ኤርትራውያን ንፖሊሲን ስትራተጂን ቀዳማይ ዋዕላኡ ኣቃኒዑ","content":"“ትካል መጽናዕቲ ኤርትራውያን ንፖሊሲን ስትራተጂን” ዝተባህለ ምትእኽኻብ ሞያውያንን ተመራመርቲን ኤርትራውያን ኣብ ስደት ብቐዳም 14 ነሓሰ 2021 ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ቀዳማይ ዋዕላኡ ኣቃኒዑ። ኣብቲ “Time is of the Essence: For Transition to Democratic Eritrea and Stable Horn of Africa” ማለት “ሕድገት ዘየፍቅድ ግዜ፡ መሳግሮ ንደሞክራሲያዊት ኤርትራን ውሑስ ቀርኒ-ኣፍሪቃን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ኣብ ኣደራሽ ካቶሊክ ዩኒቨርስቲ ዝወዓለ ናይ ሓደ መዓልቲ ርክብ፡ ብኣካልን ማንዛን (ብርሕቐት) ኣስታት 150 ኤርትራውያን ተመራመርቲን ሞያውያንን ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ተሳቲፎም። መኽፈቲ ቃል ዘስምዐ ፕረዚደንት እቲ ማሕበር ዶክተር ቶማስ ሰሎሞን ከም ዝጠቐሶ እቲ ዓውደ-መጽናዕቲ፤ ንሞያውያንን ተመራመርቲን ኤርትራውያን ንዘሎ ጸገም ንምግጣም ዝዛትዩሉ መኣዲ ምፍጣር፣ ንጉዳይ ኤርትራን ነባሪ ሰላም ቀርኒ-ኣፍሪቃን ምዝርራብ፣ ኣብ ሓድሕድ ኤርትራውያን ተመራመርቲን ሞያውያንን ናይ ስራሕን ምሕዝነትን መስመር ምፍጣር፣ ከምኡ’ውን ንኣስጋእነት ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ኤርትራ ንምስታይ ዝዓለመ’ዩ ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ብኣካልን ማንዛን ሽዱሽተ ወረቓቕቲ ክቐርብ እንከሎ፡ ድሕሪ ነፍሲ-ወከፍ ጽሑፍ ድማ ክፉት ናይ ክትዕን ልውውጥን ባይታ ነይሩ። ኣብ ጕጅለታት ዝተመቓቐሉ ተዛተይቲ ድማ ድሕሪ ነፍሲ-ወከፍ ዘተ ውጽኢት ክትዖም ንተሳተፍቲ የካፍሉ ነይሮም። ኣብቲ ኣጋጣሚ’ውን ኣብ 2000 ዓመተ-ምህረት፡ ንሓደገኝነት ኤርትራ እትኸዶ ዘላ ኣንፈት ኣመልኪቶም ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ቅሉዕ ደብዳበ ንዝጸሓፉ 13 ኤርትራዊያን ምሁራንን ሞያውያንን ናይ ኣፍልጦን ምስጋናን ምስክር ተዋሂቦም። ሰለስተ ካብቶም ብልምዲ ብጉጅለ-13 ተባሂሎም ዝጽውዑን “ማኒፈስቶ በርሊን” ዝብል ክፉት ደብዳበ ዝጸሓፉን ኤርትራውያን ኣብቲ ኣጋጣሚ ብኣካል ክርከቡ እንከለዉ፡ ካልኦት ከኣ ናይ ጽሑፍን ድምጺን መልእኽቲ ሰዲዶም። ትካል መጽናዕቲ ኤርትራውያን ንፖሊሲን ስትራተጂን ኣብ ፈለማ 2020 ዝተመስረተ በርጌሳዊ ማሕበር ኰይኑ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣስታት 200 ዝበጽሑ ሞያውያንን ተመራመርቲን ዝሓቘፈ’ዩ። እዚ ማሕበር፡ ኣብ ዓሰርተ ንኡሳን ዓውድታት ኣተኲሩ ዝሰርሕ’ዩ። ነዚ ናይ ቀዳም ዓውደ-መጽናዕቲ ብዝምልከት ኣብ ዝመጽእ ዝሰፍሐ መደብ ክህልወና’ዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%8A%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B2%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%89%B0%E1%8C%82%E1%8A%95-%E1%89%80%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8B%8B%E1%8B%95%E1%88%8B%E1%8A%A1-%E1%8A%A3%E1%89%83%E1%8A%92%E1%8B%91\/6004609.html"} {"headline":"ቃለ መሕትት ወኪል ትካል ስደተኛታት ሕ\/ሃ ኣብ ጉዳይ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ክልል ትግራይ","content":"ንጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራውያ፡ኣብ ኢትዮጵያ ብሕልፊ ከኣ ክልል ትግራይ ኣመልኪቱ ነዊሕ ከዛርብ ጸኒሑ’ዩ። በበይኖም ጸብጻበት ከመልክቱዎም ከም ዝጸንሑ፡ እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ግዳይ በበይኖም መጥቃዕታት ክዀኑ ጸኒሖም’ዮም። ነዚ ዝምልከት ምስ ምስ ፈይዝ ካሲና ካብ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ዩ.ኤን.አች.ሲ.ኣር.) ካብ ኬንያ ኣዘራሪብናያ አለና። ሕቶ፡ ኩነታት’ቶም ኣብ ትግራይ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከመይ ከም ዘሎ’ዶ ክትሕብርኒ ትኽእሊ? መልሲ፤ ብሕልፊ እኳ ኩነታት’ቶም ኣብ ማይ-ዓይኒን ዓዱ-ሓሩሽን ዝርከቡ ስደተኛታት ንላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ኣዝዩ ኣሻቓሊ’ዩ ጸኒሑ። እዚ ዝገብሮ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ኣብ ውዑይ ግጭት ዝርከቦ ቦታ ብምዃኑ’ዩ። ኮሚሽን ስደተኛታት ካብ 13 ሓምለ ኣትሒዙ ናብዘን መዓስከራት መስመር ንምርካብ ከነናዲ’ዩ ጸኒሑ። ድሕሪ ነዊሕ ዝርርብ ግን ኣብ 30 ሓምለ ጥራይ’ዩ ኮሚሽን ስደተኛታትን ካልኦት መሻርኽቲን ኣብ ዓዲ-ሓሩሽን ማይ-ዓይኒን መስመር ክረክብ ክኢሉ። ኩነታት እቲ መዓስከር ኣዝዩ ኣሰካፊ ምዃኑ ምግማት ኣየጸግምን። ኮሚሽን ስደተኛታት መሰረታዊ ቀረባት ከም እኽሊ፡ ዘይቲ፡ ማይን ካልእን ከባጽሕ ክፍትን’ዩ ጸኒሑ። ካልኦት መሻርኽቲ ኣካላት’ውን ናብቲ ቦታ ዘድልዩ ቀረባት ክዕድሉ ኣብ ጻዕሪ’ዮም ጸኒሖም። እቲ ኩነታት ኣዝዩ ኣሰካፊ’ዩ፣ ኮሚሽን ስደተኛታት ግን ኵሉ ዝከኣሎ ይግበር ኣሎ። ሕቶ፡ ጸጥታ’ቲ መዓስከር ስደተኛታት፡ ብሕልፊ ድማ እተን ክልተ መዓስከራት ሕጂ ከመይ ኣሎ ትብሊ? መልሲ፡ ክትግምትዮ ከም እትኽእሊ ኩነታት ኣብ ክልል ትግራይ ቀልጢፉ’ዩ ዝለዋወጥ ዘሎ። ገለ ካብቲ እንሰምዖ ሓበሬታ ካብቶም ስደተኛታት ባዕሎም፡ ሰራሕተኛታት ወሃብቲ ኣገልግሎትን ኣብኡ ዘለዉ መሰኻኽር ወይ ካልእ ኣካላት ከተጻርዮ ከቢድ’ዩ ዘሎ። ሓደ ክብሎ ዝኽእል ግን ሕጂ ኣብ ክልቲኡ መዓስከራት ተዛማዲ ርግኣት ኣሎ። እዚ ማለት ግን ዋላ’ኳ ምስቶም ስደተኛታት ምርኻብ ይከኣል ደኣ ይሃሉ እምበር፡ ምስ ስእነት ጸጥታ እቲ ከባቢ፡ መሰረታዊ ቀረባት ንምርካብ ግን ገና ኣጸጋሚ’ዩ ዘሎ። እቲ ኩነታት ተቐያያሪ’ዩ ዘሎ። ምስ ኵሉ ሕጽረታትን ማሕለኻታትን ግን ዝከኣለና ክንገብር ንሰርሕ ኣሎና። ሕቶ፡ ቅድሚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝርከቡ ኤርትራውያን እቶም ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዙ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም ነይሮም። እቲ ክግዕዙሉ ዝሕሰብ ዘሎ ቦታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዲዩ ዝኸውን ዘሎ? ምስ’ዚ ሕጂ እቲ ኲናት ናብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ምልሓሙ እቲ ቦታ ክሳብ ክንደይ’ዩ ውሑስ? መልሲ፤ ንዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ ኮሚሽን ስደተኛታት፡ ውሑስ ቦታ ከናዲ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክሓቶ ጸኒሑ’ዩ። እቲ ዕላማ ናብ ካልእ ውሑስ ስፍራ ንምግዓዞም’ዩ። ካብ 26 ሰነ ኣትሒዝና ድማ ኣብ ከባቢ ደባት ዝተባህለ ናይ ክልል ኣምሓራ ቦታ ተፈልዩልና። ሕጂ ከኣ ኣብ ኣለምዎች ዝብሃል ቦታ ሓድሽ መዓስከር ንምቛም ኣበርቲዕና ንሰርሕ ኣሎና። እዚ መዓስከር ኣስታት 25-ሽሕ ስደተኛታት ክሕዝ’ዩ ትጽቢት ዝግበሮ። ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም እንሰርሕ መጠን፡ እዚ ሓድሽ ቦታ ንስደተኛታት ውሑስ ክኸውን ከም ዘለዎ ንሕናን ካልኦት መሻርኽቲናን ንሰሓርሉ ኣሎና። ጸጥታዊ ውሕሰነት ጥራይ ዘይኰነስ ካልእ መሰረታዊ ቀረባት ዝረኽቡሉ ቦታ ክኸውን’ውን ኣብ ምስራሕ ኢና ዘሎና። ሕቶ፤ እቲ ኲናት ሕጂ ናብ ክልል ኣምሓራ’ውን ይልሕም ብምህላዉ፡ ምስቲ ዘሎ ስእነት ጸጥታ ካልእ ዝሓዝኩሞ ውሕስነት ኣሎ ዲዩ? ምስ’ዚ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ካልእ ኣማራጺ’ውን እንተለኩም? መልሲ፤ እቲ መደብ እዚ ንሰርሖ ዘሎና መዓስከር ኣለምዎች ንስደተኛታት ውሑስ ምዃኑ ምርግጋጽ’ዩ። ምስ’ዚ ዝካየድ ዘሎ ኲናት እቲ ቀዲሙ ዝመጽእ ውሕስነት ጸጥታ ስለ ዝዀነ፡ ንዕኡ ከረጋግጹልና ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰርሕ ኣሎና። ምስ ገስጋስ እቲ ኲናት ግን ሕጂ ዘሎ ቀዳምነት ነቶም ኣብ ማይ-ጸብሪ ዝርከቡ ስደተኛታት ብቕልጡፍ ናብ ዝወሓሰ ቦታ ምግዓዞም’ዩ። ሕቶ፤ ኣቐዲመ ጠቒሰዮ ከም ዝነበርኩ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ንምግዓዝ’ቶም ስደተኛታት ዝምልከት ሰለማዊ ሰልፊ ተኻዪዱ ነይሩ። ካልእ ምጥቃስ ዘድልዮ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ሓይሊ፡ ምግዓዝ እቶም ስደተኛታት ብድሌቶም ክኸውን ከም ዘለዎ መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ። ስለዚ እቶም ስደተኛታት’ከ ብዛዕባ ምግዓዞም ኣፍልጦን ድሌትን ከም ዘለዎም ተሓቲቶም ዲዮም? ዶስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝበሎ ጥራይ’ዩ ክኸውን? መልሲ፤ ከም ዝጠቐስክዮ ኣብ ፍጹም ድሌት እቶም ስደተኛታት ዝምርኮስ’ዩ። እቶም ስደተኛታት እንታይ ይደልዩ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኰነስ ሓፈሻዊ ፖሊሲ ኮሚሽን ስደተኛታት’ዩ። እቶም ስደተኛታት ናብ ካልእ ሃገር ክኸዱ ወይ ድማ ናብ መበቆላዊ ስድራኦም ክምለሱ ምሉእ ፍቓድ ክህሉዎም ኣለዎ። ስለዚ ከኣ ምስቶም ስደተኛታትን ወኪላትን መን’ዮም ናብቲ ሓድሽ መዓስከር ኣለምዎች ክግዕዙ ፍቓደተኛታት ዝዀኑ ኣብ ምዝርራብ ኢና ዘሎና። ኣብ ርእሲኡ ከኣ ዳሕራይ እቲ መዓስከር ምስ ቆመ ውሑስ መሰጋገሪ መስመር ክንረክብ ንሰርሕ ዘሎና። ኵሉ እዚ ናይ ምግዓዝ መስርሕ ግን ብድሌትን ፍቓድን እቶም ስደተኛታት’ዩ ክኸውን። ሕቶ፡ ቅድሚ ሓጺር እዋን፡ ኮሚሽን ስደተኛታት፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ስደተኛታት መጥቃዕቲ ይወርድ ከም ዘሎ መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ። እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር ብበይኖም ሓይልታት ግፍዒ ክወርዶም ከም ዝጸንሐ ክዝረብ ጸኒሑ’ዩ። ነዚ ዝምልከት ብወገን ኮሚሽን ስደተኛታት ዝካየድ መርመራ እንተሎ ክትሕብርኒ? መልሲ፡ ከም ኮሚሽን ስደተኛታት መጠን ዕዮና ድሕነትን ምክትታል ውሕስነትን ስደተኛታት’ዩ። ዝኾነ ነገር ከጓንፍ ከሎ ነቶም ስደተኛታት ወይ ካልእ ኣካላት ንሓትትን ኩነታት ክንከታተል ንፍትንን። ሕጂ ነቲ ዘሎ ኩነታት ዘኽብዶ ግን እቲ ቦታ ኲናት ዝካየዶ ዘሎ ምዃኑ’ዩ። ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ግፍዒ ክፍጸም ከሎ ግን ናብቶም ዝምልከቶም ኣካላት ኢና እንመርሖን ምጽራይ ክግበር ምክትታል እንገብረሉን። ነዚ ጉዳይ ዝምከቶም ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ካልኦት ኣካላት ኣህጉራውያን ትካላት ከም ህዩማን ራይትስ ዎችን ኣለዉ። ከም ኮሚሽን ስደተኛታት መጠን ግን ቀዳምነታትና እቶም ስደተኛታት ውሑሳት ምህላዎምን መሰረታዊ ቀረባት ምርግጋጽን’ዩ። ሕቶ፡ ሕጂ ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት ክንደይ ሰባት ከም ዘለዉ ቍጽሪ ኣለኪ’ዶ? መልሲ፤ ኣብ ክልቲኡ መዓስከራት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ብድምሩ ኣስታት 23-ሽሕ ስደተኛታት ኣለዉ። ሕቶ፤ እቶም ኣብ መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ዝነበሩ ልዕሊ 20-ሽሕ ዝበጽሑ ስደተኛታት’ከ እንታይ ኣሎ ደሃዮም? ቅድሚ ገለ እዋን ቤት-ጽሕፈትኩም ኣብቲ ቦታ ከም ዘየለዉ መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ፣ ብዛዕባ ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ ስደተኛታት ምህላዎም’ውን ይዝረብ’ዩ’ሞ ብዛዕባኦም እንታይ ክትብልና ትኽእሊ? መልሲ፤ እቲ ኲናት ገና ኣብ ከይዲ ብምህላዉ ምጽራይ ኣጸጋሚ’ዩ ዘሎ። መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ኣብቲ ኲናት ተደምሲሰን’የን። ስለዚ እምበኣር ነቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ሃለዋቶም ንምፍላጥ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ይገብሮ። ኮሚሽን ስደተኛታት ብጉዳይ እዞም ስደተኛታት ኣዝዩ ተሻቒሎ’ዩ ዘሎ። ምስ መሻርኽቲ ኣካላት፡ ንኣብነት ከም ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ስደተኛታትን ተመለስቲን ኢትዮጵያ (ኣራ) ሃለዋት እዞም ስደተኛታት ንምርካብን ዘድሊ ሓገዛት ንምብጻሕን ክንሰርሕ ጸኒሕናን ገና ሕጂ’ውን ኣሎናን። ሕቶ፤ ብዛዕባ’ቶም ናብ ኤርትራ ብዘይ ድሌቶም ተመሊሶም ዝብሃሉ’ኸ? ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝገበርኩሞ ምዝርራባት ኣሎ ድዩ? መልሲ፤ ክሳብ ሕጂስ ኣይፋልን። ቀዳምነትና ዘሎ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ስደተኛታት ንምሕጋዝ’ዩ። ከም ዝፍለጥ ኣስታት 96-ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ኣስታት 600-ሽሕ ዝበጽሑ ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ዝተመዛበሉ ተጋሩን ስለ ዘለዉ ቀዳምነታትና ናብኣቶም’ዩ ዘሎ። ሕቶ፤ ካብ ኲናት ሃዲሞም ናብ ኣዲስ-ኣበባን ካልእ ውሑስ ቦታታት ክልል ኣምሓራን ዝኸዱ ኤርትራውያን ዳሕራይ ተገፊፎም ናብቲ መዓስከራት ከም ዝምለሱ’ሞ ንዝኸፍአ ሓደጋ ዘቃልዕ ኩነታት’ዩ ገጢሙዎም። ኮሚሽንኩም ኣንጻር’ቲ ግድዱ ምምላስ ምትእትታው ክግብር ፈቲኑ ነይሩ’ዶ? መልሲ፡ ብዛዕባኦም ሓበሬታ ኣይነበረናን። እቶም ትካልና ዝፈልጦም እቶም ኣብ ኣዲስ-ኣበባን ክልልትግራይን ዘለዉ ስደተኛታት’ዮም። ንዓኣቶም ከኣ ብዛዕባ ድሕነቶም ንምርግጋጽ ክንሰርሕ ጸኒሕና። ቀዳምነታትና ከኣ ምስቶም ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ብምትሕብባር ሃለዋት እቶም ስደተኛታት ምግባርን ናብ ውሑስ ቦታ ዝግዕዙሉ መገዲ ምንዳይን’ዩ። ሕቶ፤ ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ኲናት ክኸፍት ምዃኑ መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ። እቲ ኲናት ናብ ካልኦት ክልላት ይልሕም ከም ዘሎ መጠን፡ ውሕስነት የሎን። ትካል ኮሚሽን ስደተኛታት ነቶም ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ንምግዓዞም መደብ ኣለዎ’ዶ? መልሲ፤ ሕጂ ዘሎ ቀዳምነታትና ናብ ሳልሳይ ሃገር ንምግዓዝ ዘይኰነስ ነቶም ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝተመዛበሉ ተጋሩ’ሞ ክንበጽሖም እንኽእል ናይ ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ንምቕራብ’ዩ። እቲ ኩነታት ከመይ ከም ዝምዕብል ርኢና ከኣ ናብ ካልእ ርሑቕ መደባት ክንሓስብ ንኽእል ንኸውን። ሕቶ፤ ቅድሚ’ቲ ኲናት ክሳብ 96-ሽሕ ዝበጽሑ ስደተኛታት’ዮም ነይሮም። እቶም ኣብ ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ መፋርቕ ዕስራ-ሽሕ እንተዀይኖም እቶም ዝተረፉ ኣስታት 70-ሽሕ ዝበጽሑ ስደተኛታት’ከ ኣበይ’ዮም ዘለዉ? ደሃዮም ኣለኪ’ዶ? መልሲ፤ ምስቲ ዝከይድ ዝነበረ ኲናት ሃለዋት’ቶም ስደተኛታት ንምፍልጥ ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ ነይሩ። ከምቲ ዝበልኩዎ መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ስለ ዝተደምሰሳ’ውን ደሃይ’ቶም ኣብኡ ዝነበሩ ስደተኛታት ምፍላጥ ኣይተኻእለን። ሕጂ ክንረኽቦም እንኽእል እቶም ኣስታት 23-ሽሕ ዝበጽሑ ስደተኛታት ኰይኖም ናብ ውሑስ ቦታ ከንግዕዞም ንጽዕር ዘሎና ኢና። ብሰንኪ’ቲ ኲናት ከኣ ሃለዋት እቶም ካልኦት ስደተኛታት ንምፍላጥ ኣጸጋሚ’ዩ። ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ደሃዮም ንምግባር ግን ኣብ ምስራሕ ኣሎና። ሕቶ፤ ኩነታት’ቶም ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዘለዉ ስደተኛታት’ከ ከመይ ይመስል? ባዕላቶም መጺኦም ዝምስገቡ ኣለዉ ድዮም? መልሲ፤ ባዕላቶም እቶም ስደተኛታት ብወለንትኦም መጺኦም ክመዝገቡ ጸኒሖም። ኮሚሽን ስደተኛታት ከኣ ገለ ሓገዛት ክገብረሎም ጸኒሑ’ዩ። ንኣብነት ነቶም ዝመጹና ስደተኛታት መለለዪ ወረቐት ስደተኛታት ክንህብ ጸኒሕና። እዚኣቶም ካብ ክልል ትግራይ ሃዲሞም ዝመጹ ስደተኛታት’ዮም። እቲ እንህቦ ናይ ስደተኛታት መለለዪ ወረቐት ንሰለስተ ዓመት ዝጸንሕ’ዩ። ስለዚ እቶም ብፍቓዶም ናብ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝርከብ ቤት-ጽሕፈትና ዝመጹ ስደተኛታት ይውስኽ’ዩ ዘሎ። ሕቶ፤ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ቍጽሪ ኣለኪ’ዶ? ክንደይ ዝበጽሑ’ዮም? መልሲ፤ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ምስ ዝርከብ ቤት-ጽሕፈትና ኣረጋጊጸ ክነግረኪ እመርጽ። ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ መሕትት ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%88%95%E1%89%B5%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8A%AA%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/5999225.html"} {"headline":"ሚ\/ሳይንስን ትምህርትን ኢትዮጵያ ኣብ ኣርባዕተ ዩኒቨርሲቲታት ክልል ትግራይ ዝነበሩ ኣስታት 10 ሽሕ ተማሃሮ ካብቲ ክልል ምውጹኡ ኣፍሊጡ","content":"ሚኒስትሪ ሳይንስን ትምህርትን ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዝርከቡ ኣርባዕተ ዩኒቨርሲቲታት ልዕሊ 10 ሽሕ ተማሃሮ ክወፁ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ ። እቶም ተመለስቲ ተማሃሮ ብወገኖም ህወሓት እቶም ተዋጋእቲ “ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ”ዮም ዝብሎም ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ግን ተዋጋእቲ ኣካል’ቲ ኣሸባሪ ዝተሰምየ ውድብ ዝብሎም ንኸተማ መቐለ ድሕሪ ምቁፅፃሮም ምስ መግቢ ተተሓሒዙ ቀረባት እናቀነሰ እተመፀ'ኳ እቲ ህዝቢ ግን ኣብ ጎኖም ኮይኑ ይተሓባበሮም ምንባሩ ተዛሪቦም ። ሚኒስትሪ ሳይንስን ላዕለዎት ትምህርትን ኣብቲ ሎሚ ዘውፀኦ መግለፂ ተመረቅቲ ዓመተ ትምህርቲ 2013 ዝነበሩ ተማሃሮ እተን ዩኒቨርስትታት ዘይዛዘምዎ ትምህርቶም ዛዚሞም ዝምረቅሉ ኩነታት ከመዓራሪ ምዃኑ ሓቢሩ። ሎምዘበን ብዛዕባ ዘይምረቁ ተምሃሮ ግን ዝበሎ ነገር የለን። ​ ሚኒስትሪ ሳይንስን ላዕለዎት ትምህርትን ኢትዮጵያ ስጋብ ትማሊ 06 ነሓሰ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ሰሙን ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዝርከቡ ዩኒቨርሲታት መቐለ፣ኣኽሱም፣ዓዲግራትን ራያን ዝነበሩ 10,164 ተማሃሮ ካብቲ ክልል ምውፅኡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፌስቡኩ ሓቢሩ ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A-%E1%88%B3%E1%8B%AD%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%8A%95-%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%AD%E1%89%A3%E1%8B%95%E1%89%B0-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%89%A8%E1%88%AD%E1%88%B2%E1%89%B2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A9-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-10-%E1%88%BD%E1%88%95-%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%83%E1%88%AE-%E1%8A%AB%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%8C%B9%E1%8A%A1-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6002033.html"} {"headline":"መግለጺ ክልል ትግራይ","content":"\"ሓይልታት ትግራይ ምስ ሰራዊት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕነት ዝበጽሑ፡ ሃገርን ህዝብን ናብ ገደል የእቱ ንዘሎ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ ንምውጋእ’ዩ፡” ክብል ንመቐለ ዘመሓድር ዘሎ ብህወሓት ዝምራሕ ንርእሱ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኢሉ ዝፅውዕ: ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ንባዕሉ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ኢሉ ዝፅውዕ መንግስቲ ድማ ሸኔ እናበለ ዝፅወዖን ህወሓትን ሓቢሮም ክሰርሑ ዕላዊ ምግባሮም ሓዱሽ ነገር ኣይኮነን ክብል ገሊፁ እዩ።እቲ መግለጺ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ዜጋታት በጺሑ ዝተባህለ ጉድኣት ብዘይሻራዊ ዓለምለኻዊ ትካል ክጻረይ ድማ ሓቲቱ ኣሎ። ቀዳሞት መስረቲ ግንባር ናፅነት ኦሮሞ ነቲ ናይ ጥፍኣት ሕብረት ኢለን ዝገለፅኦ ከምዝኹንንዎ ኣየጠራጥርን ክብላ ሓላፊት ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ቢልለኔ ስዩም ተዛሪበን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%9B%E1%8A%A5-%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%88%B1-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A2%E1%88%89-%E1%8B%9D%E1%8C%BD%E1%8B%8D%E1%8B%95-\/6002023.html"} {"headline":"ፕረ.ባይደን ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ሓቲቶም","content":"ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብዚ ወሳኒ እዋን ንፍሉይ ልኡኽ ጀፍሪ ፌልትማን ናብ ኣዲስ ኣበባ ክምለሱ ከምዝሓተቱዎም ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ኣማኻሪ ሃገራዊ ፀጥታ ፕረዝዳንት ጄክ ሱሊቫን ገሊፆም። ንሶም ትዊተር ኣብ ዝዘርግሑዎ መልእኽቲ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ናብዛ ዓባይ ሃገር ብተወሳኺ ውግእ ዘይድሕን ግዙፍ መከራን ምክፋፍልን ኣስዒቡላ እዩ ኢሎም። ኩሎም ወገናት ብቅልጡፍ ናብ ናይ ልዝብ ጠረጴዛ ክመፁ ንፅውዕ ኢሎም። ብተመሳሳሊ ዜና ቤት ፅሕፈት ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ ሓፂር መግለፂ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፌልትማን ካብ 15 ክሳብ 24 ነሓሰ 2021 ናብ ጁብቲ፣ኢትዮጵያን ሕቡራት ዓረብ ኤምሬትስን ዝበጽሑ ገሊፁ ኣሎ። ፍሉይ ልኡኽ ፌልትማን ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሰለስቲኣን ሃገራት ተራኺቦም ኣመሪካ ሰላም ንምትብባዕን ምርግጋእን ብልፅግናን ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትድግፍን ዘለው ዕድላት ንምዝርራብ እዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%8B%B0%E1%8A%95-%E1%8D%8D%E1%88%89%E1%8B%AD-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%95%E1%89%80%E1%88%AD%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%88%88%E1%88%B1-%E1%88%93%E1%89%B2%E1%89%B6%E1%88%9D\/6002004.html"} {"headline":"'ጸብጻብ ኣምንስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሰንብድ መልክዕ'ቲ ኩናት'ዩ' ሰኔተር ጂም ሪሸ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ተፈፂሙ ዝብሃል ፆታዊ መግሃስቲ ብኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝወፀ ፀብፃብ ብቀጥታ ናይ መሰኻኽር ቃል ዝሓዘ ዘሰንብድ መልክዕ ኵናት ክልል ትግራይ እዩ ክብሉ ኣብ ሰኔት ኣመሪካ ላዕለዋይ ኣባል ኮሚቴ ርክባት ወፃኢ ዝኾኑ ሰኔተር ጂም ሪሸ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ገሊጾም። እቲ ናይ ትዊተር መልእኽቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ፀብፃብን ኣብ ክልል ትግራይ ቅድሚ ሎሚ ንዝወፁ ፀብፃባት ሰብኣዊ መግሃስትን ዝሃቦ ናይ መጀመሪያ ግብረ መልሲ ዝሕብሮ መንግስቲ ኣብ መላእ እታ ሃገር ንዘለው ብርክት ዝበሉ ግጭታትን ሰብኣዊ ቅልውላዋትን ፀማም እዝኒ ይህቦ ከምዘሎ እዩ ይብል ። ንሶም ኣብ መልእኽቶም ክሕደት፣ምዝባዕ ንተኣማንነት ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላት ምጥቃዕን ናይቲ መንግስቲ ተኣማንነት ዝሽርሽርን ኣብ ኢድ ኣብቲ ኵናት ይሳተፉ ዘለው ተዋሳእቲ ዒላማ ኮይነን ዘሰቅቕ መከራ ይወርደን ንዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዎ ሸለልትነት ዝገልፅን እዩ ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%B8%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B0-%E1%8C%8D%E1%88%85%E1%88%B0%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%89%A5%E1%8B%B5-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%AD%E1%8B%95-%E1%89%B2-%E1%8A%A9%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8B%A9-%E1%88%B0%E1%8A%94%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8C%82%E1%88%9D-%E1%88%AA%E1%88%B8\/6001997.html"} {"headline":"ጉጅለ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ትኹረቱ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ከምዝገብር ኣፍሊጡ","content":"ጉጅለ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ሃገራዊ ኩነታት ጸጥታ፣ ትኹረቱ ውሽጣዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ከምዝግበር ኣፍሊጡ። ዓለምለኸ ማዕኸናት ዜና \"ንዝፍንውዎ ናይ ሓሶት ሓበሬታ\" ዝበሎ ጸብጻባት ከምዝብድህ’ውን ገሊጹ። እቲ ጉጅለ ህዝቢ ትግራይ ንደቁ ኣብ ኩናት ንከየእትዎም መልእኽቲ ከሕልፍ’የ’ውን ይብል። ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ከምዝተመስረተ ዝገልጽ እቲ ጉጅለ ዲፕሎማሲ፣ ብዛዕባ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት እናኸደ ብዛዕባ መርገጺ ኢትዮጵያን እቲ ጉዳይ ብቀረባ ንዝምልከተን ሃገራት መብርሂ ከምዝሃበ ይገልጽ። ኣባላት’ታ ጉጅለ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ተመሳሳሊ ስጉምቲታት ምፍጻም ኣገዳሲ’ኳ እንተነበረ እዋናዊ ሃገራዊ ኩነታት ግና ሓድሽ አንፈት ምስዓብ ግድን ገይሩዎ ኣሎ ይብሉ ። ካብ ኣባላት መሪሕነት ሓደ ኣቶ ጥበቡ በለጠ፣ \"ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ጸገም፣ ብዙሕ ህዝቢ ንሓደጋ ዝተቃለዐሉ ኩነታት ኣሎ። ንኢትዮጵያ ዘፋለጡ ቅርስታትን ቤተ እምነትን ንሓደጋ ዝተቃልዕሉ፣ ከም ላሊበላ ኣብ ሓደጋ ወዲቆም አለው። ስለዚ፣ ነዞም ሓደጋታት ብምንካይ ኣብ ሞንጎ ሕብረተሰብ ምርድዳእ ንክህሉ፣ ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ንክቀርቡ ጸቅጢ ምፍጣር፣ ንሉአላዊነት ኢትዮጵያ ዝዳፍኡ ኩነታት ሱዳናዊያን ንዶብና ጥሒሶም አትዮም እዮም። ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ነዞም ኩነታት ብደረጃ ሃገር ክሰርሐሎም እዩ\" ኢሎም። አካቢ’ቲ ጉጅለ ኣቶ ጌታቸው ጥበበ ብወገኖም፣ ህወሓት ብፓርላማ ኢትዮጵያ ጉጅለ ሽብር ተባሂሉ ቅድሚ ምስያሙ፣ እቲ ነገር ብሰላማዊ ኣገባብ ንክዛዘም ተበግሶ ከምዝገበረ ጠቂሶም: እንተኾነ ሃገራዊ ኩነታት ሎሚ እናተጋደደን እናባኣሶን ስለዝመጸ፣ እቲ ጉጅለ መርገጺኡ ብግልጺ ንክገልጽ ከምዘገደዶ ኣቶ ጌታቸው አይከወሉን። ብመንጽር’ዚ፣ ጉጅለ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ፣ ዓለምለኸ መሓውራት ዜና ኣንጻር ኢትዮጵያ የቃልሐኦ ኣለዋ ንዝበልዎ ግጉይ ሓበሬታ ክምክቶ እዩ ኢሎም:: \"ብደረጃ ዓለም፣ ዓይኑ ዘፍጠጠ፣ ብግልጺ፣ ሕብእብእ ዘይብሉ፣ መርገጺ ዝሓዙን ኤቲክስ ዘይብሎምን ዓለምለኸ መሓውራት ዜና፣ አብ ልዕሊ ሃገር ዝወፈርሉ ጊዜ እዩ። ትሕስው ኣለኹም ኢልና ኣሰርና ክነንብር ኢና።\" ውግእ ዘስዕቦ ጥፍኣት ኣበርቲዖም ዝገለጹ ኣቦ መንበር'ቲ ጉጅለ ነቶም \"እምቢ ባሃልቲን ልዕሌና ተዋጋኢ የለን ዝብሉ መራሕቲ ህወሓት፣ ህዝቢ ትግራይ ደቁ ንከይግብር መልእኽቲ ኣማሓላሊፎም::\"","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%8B%B2%E1%8D%95%E1%88%8E%E1%88%9B%E1%88%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%B5%E1%8A%B9%E1%88%A8%E1%89%B1-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8D%E1%88%BD%E1%8C%A3%E1%8B%8A-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6001986.html"} {"headline":"ኩነታት ክልል ትግራይ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ክልሑኽ ከምዝክእል ሕ\/ሃ ሓቢሩ","content":"ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ኩነታት ኣብ ክልል ትግራይ ዘይሃድአን ተኣፋፊን፣ ናብ ክልላት አምሓርን ዓፋርን ክልሑኽ ከምዝኽእልን አተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ከምዘፍለጠ ገሊጹ። ህወሓት እቶም ተዋጋእቲ “ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ” ዮም ዝብሎም ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ግን ተዋጋእቲ ኣካል’ቲ ኣሸባሪ ዝተሰምየ ውድብ ዝብሎም ሓይልታት ናብ’ተን ክልላት ድሕሪ ምስጋሩ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣስታት 200 ሽሕ ኣብ ክልል ዓፋር 76 ሽሕ ሰባት ከምዝተፈናቀሉ እቲ ወሃቢ ቃል ሓቢሩ። \"ኣብ ጋሊኮማ ዓፋር ብከቢድ ብረት ተደብዲቡን መኻዚኖ ተቃጺሉን\" ዝብል ሪፖርት ከምዝበጽሖን የጻርዮ ከምዘሎን ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ኣሎ። እቲ ወሃቢ ቃል ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ፣ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ምሒር ከምዝተማሓየሸን ኣስታት 75 ሚእታዊት ከባቢታት ትግራይ ምብጻሕ ከምዝተኻኣለ ኣፍሊጡ። እንተኾነ ዝኣክል ረድኤት ገና ከምዘይተረኸበ ጠቂሱ። ናብ ክልል ትግራይ እንኮ መእተዊ ብክልል ዓፋር ዝሓልፍ ጽርግያ ጥራሕ ኮይኑ ከምዘሎ፣ ብሰንኪ ጸገም ጸጥታን ፍተሻታት ምትዕንቃፋት ከምዘሎ እቲ ወሃቢ ቃል ገሊጹ። ኣገልግሎት በረራ ነፋሪት ሕቡራት ሃገራት ዝሓለፈ ሰሙን ካብ አዲስ አበባ ናብ መቐለ ክልተ ጊዜ ከምዝተሳለጠ፣ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብ መቐለ ናብ ሰመራ’ውን ከምዝተፈጸመ እቲ ዜና ጠቂሱ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%91%E1%8A%BD-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%AD%E1%8A%A5%E1%8A%AD%E1%88%8D-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6000602.html"} {"headline":"መግለጺ ብልጽግና ፓርቲ ክልል ኣምሓራ","content":"ቤት ጽሕፈት ፓርቲ ብልጽግና ክልል ኣምሓራ ብንፋስ መውጫን ወልድያን ሸሊኹ ንክኣትው ዝፈተነ ሓይሊ ንክምለስ ከምዝተገብረ ኣፍሊጡ። ሓላፊ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣቶ ኣብራሃም አለኸኝ ምስ ሓለፍቲ ብሄራዊ ምንቅስቃስ አምሓራን ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ አምሓራን ኮይኖም ኣብ ባህርዳር መግለጺ ሂቦም ኣለው። ኣቶ አብራሃም ኣለኸኝ \"ብፓርላማ ኢትዮጵያ ኣሸባሪ ዝተባሃለ ህወሓት፣ ንኢትዮጵያ ብሕልፊ ድማ ንኣምሓራ ይኸቦም ኣሎ\" ኢሎም። ንሶም ወሲኾም \"ብንፋስ መውጫን ብወልድያን ሸሊኹ ክኣቱ ዝፈተነ ሓይሊ፣ ብህዝቢ፣ ፍሉይ ሓይሊን መከላኸሊ ሰራዊትን ንክምለስ ተገይሩ፣ ወረራ ኣብ ዝፈጸመሎም ከባቢታት፣ ንደቂ ኣንስትዮ ደፊሩ፣ ንዓበይቲ የሳቂ፣ ንመናእሰያት ይቀትል ኣሎ\" ኢሎም ከሲሶም:: \"ህወሓት ወያነ ወራር ካብ ዝጀመረሉ ዕለት ኣትሒዙ፣ ዕለታዊ ዝቆጻጸሮም ከባቢታት ብርክት ዝበሉ እዮም። ኣብ ሰሜን ወሎ፣ ኣብ ደቡብ ጎንደር ንፋስ መውጫ ዝላዓለ ምንቅስቃስ ዝገብረሉ ኩነታት እዩ ዘሎ። አብ ዝኣተዎም ከባቢታት ከቢድ ኪሳራ ኣብ ምብጻሕ እዩ ዝርከብ። ንዓበይቲን መናእሰያትን እናሃደነ ይቀትል። ንደቂ አንስትዮ ይደፍር፣ ንህጻናት የሸማቅቆም ኣሎ።\" እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ፈደራል መንግስቲ \"መንግስቲ ክልል ትግራይ ፈሪሱ እዩ። ኣብ ትግራይ ስልጣን ዘለዎ ጊዚያዊ ምምሕዳር እዩ\" ይብል። ወሃቢ ቃል መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝባሃል ኣቶ ጌታቸው ረዳ ትማሊ ኣብ ቴለቭዥን ትግራይ ቀሪቡ ንእዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃለ ምልልስ ከምዚ ኢሉ ነይሩ \"መግለጺ ክልል ኣምሓራ፣ ሎሚ’ውን ግንባር ራያ እዩ ዝብል። ራያ ዑፍ’ውን አይትበረሉን። ወልድያ ነጻ መሬትና እዩ። ህዝቢ ባዕሉ ንባዕሉ ዘመሓድርን ናይ ምርግጋእ ስራሕ እዩ ይፍጽም ዘሎ። መርሳ ነጻ መሬትና እዩ። ይኹን’ምበር፣ መግለጺ ክልል ኣምሓራ ንመርሳ ነጻ ኣውጺእና ይብል ኣሎ። ካብ መን’ዮም ነጻ ኣውጺኦምዋ? ጽቡቅ ገይሮም እዮም ዝሕስው። ንሰብ ዘለዎም ንዕቀት እዮም ዝገልጹ\" ክብል ተሰሚዑ ኣሎ። ኣብ ባህርዳር መግለጺ ዝሃቡ ሓለፍቲ ሰለስቲኤን ፓርቲታት፣ ህዝቢ ኣምሓራ ነቲ ናይ ህወሓት ፕሮፓጋንዳ ዝበልዎ ንከይደናገርን ብሓደ ደው ክብልን’ውን ከምዝጸውዑ ተገሊጹ'ሎ። እቶም ሰበ ስልጣን፣ ኣብ መዕቆቢ ካምፕ ስደተኛታት ዓፋር ብህወሓት ተፈጺሙ ዝበልዎ ጥቅዓት ንዝተጎድኡ ሓዘኖም ገሊጾም፣ ንተፈናቀልቲ ዓለም ለኸ ደገፍ ንክብረሎም ጸዊዖም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%8C%BD%E1%8C%8D%E1%8A%93-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB\/6000543.html"} {"headline":"‘’ትግራይ ምፅባይ ይኣኽላ’’ ብዝብል ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብን ምፍጣር ግንዛበን ዋዕላ ይካየድ ኣሎ","content":"‘’ትግራይ ምፅባይ ይኣኽላ’’ \\Tigray Cannot Wait\\ ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭብጢ ወይ ቴማ ካብ ዙሪያ ዓለም ዝተዓደሙ ኣጋይሽ ዝሳተፍሉ ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብን ግንዛበ ናይ ምፍጣርን ናይ ኢንተርኔት ወይ ቨርቹዋል ዋዕላ ይካየድ ኣሎ። ካብ ፍርቂ ማዕልቲ በዚ ናይ ከባቢና ስዓት ኣቆፃፅራ ጀሚሩ ኣብዚ ሕዚ ስዓት ኣብ ምክያድ ይርከብ።ገብረ ገብረመድህን ቅድም ኢሉ ካብ ኣተሓባበርቲ ናይቲ ፕሮግራም ንዶክተር ሙሉጌታ ገብረእግዚኣብሄር ኣዘራሪብና አለና ። እዚ ‘’ትግራይ ምፅማም ወይ ምፅባይ ይኣኽላ’’ Tigray Cannot Wait ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭብጢ ንሓደ ማዕልቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ቨርችዋል መደብ ብርክት ዝበሉ ዛዕባታት ክሳለጡ እዮም ብመሰረት ናይቲ ዋዕላ ኣተሓባባሪ ዶክተር ሙሉጌታ ገብረእግዚኣብሄር። ዶክተር ሙሉጌታ ገብረእግዚብሄር ኣብ Medical University of South Carolina ፕሮፌሰርን ምኽትል ሓላፊ ክፍሊ Public Health Science እዩ።ኣ ኣብ ናይ ሕብረተሰብ ኣገልግሎት ከምዝዋሳእ ዝገልፅ ዶክተር ሙሉጌታ ኣካልእቲ ናይ ሕብረተሰብ ኣገልግሎታት ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ኣብ ዓለምለኸ ጥዕና ምርምራት ምትእትታው ምስ ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ፣ምስ ዩኒቨርስቲ መቐለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እውን ምስ ብዓል ቅዱስ ጳውሎስ ዩኒቨርስቲ ምስ ቲ ዝሰርሐሉ ዩኒቨርስቲ ሳውዝ ካሮላይናንምትሕግ ጋዝ ንዝሓለፊ 15 ዓመታት ከምዝሰርሕ ይገልፅ። ናይቲ ዋልዕላ ዕላማ ኣብ ትግራይ ዝዓነወ መሰረት ልምዓትን ንምህናፅ ገንዘብ ንምትእኽኻብን ኣድላይነት ሰላም ንምዝታይን እዩ ኢሎ ዶክተር ሙሉጌታ።ንናይ ታሪኽ ዘዘንትው ናይ ውሽጥን ወፃን ምሁራት፣ንትግራይ ንእትዮጵያ ዝፈልጡን ኣብኡ ዝሰርሑን ብዛዕባ ዝፈልጡን ዝምዖምን ክገልፁ ናይ ፓነል ዘተ ይካይድ ኣሎ። ናይዚ መደብ ኣዳለወቲ Engaging Diaspora for Research and Education ዝብሃል ውዳበ፣Security and Justice for Tigray ድሕነትን ሰላም ንህዝቢ ትግራይ ዝተብሃለ ማሕበር ክልቲኦም ኣብዚ ኣብ ዩናይትድ ስቴት ስ ዝመደብሮም ውዳበታት እዮም ብማሕብር ልምዓት ትግራይ፣ማረትን ምዃነን ኣብ ኣሜሪካ ዝርከባ ዝተፈላለያ ናይ ተጋሩ ማሕበራትን ከምዝተሳተፋሉ ዶክተር ሙሉጌታ ገሊፁ። ኣብዚ ሎሚ ፍርቂ ማዕልቲ ጀሚሩ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ በዚ ናይዚ ከባቢና ኣቆፃፅራ ስዓት ዝካየድ ዘሎ ኣብ ክለብ ሃውስ ዝብሃል ፕላትፎርም ወይ መድረኽ ስነስርዓት ካብ ኣመሪካ፣ካናዳ፣ኣውሮፓን ኣውስትራሊያን ዝመፁ ኣጋይሽ ይሳተፉ ኣለው።ዝተፈላለዩ ናይ ፓናል ምይይጣት፣ናይ ሙዚቃ ምርኢትን ካልኦትን ከምዝቐርብ ካብቲ ፕሮግራም ንምፍላጥ ይክኣል።ኣብዚ መደብ ዝተልዓሉ ጉዳያትን ዝተወቕዑ ሸቶታትን ኣብ ቅፃሊ ሒዘልኩም ከቐርብ እየ። ዝርዝሩ ብድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/a-virtual-pro-tigray-event-is-under-way-on-clubhouse\/6000515.html"} {"headline":"መግለፂ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ","content":"ንባዕሉ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ኢሉ ዝፅውዕ መንግስቲ ድማ ሸኔ እናበለ ዝፅወዖን ህወሓትን ሓቢሮም ክሰርሑ ዕላዊ ምግባሮም ሓዱሽ ነገር ኣይኮነን ክብል ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ገሊፁ ። ቀዳሞት መስረቲ ግንባር ናፅነት ኦሮሞ ነቲ ናይ ጥፍኣት ሕብረት ከምዝኹንንዎ ኣየጠራጥርን ክብላ ሓላፊት ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ቢልለኔ ስዩም ተዛሪበን ። ህዝቢ ኦሮሞ ንህወሓት ክድግፍ ምልዕዓል ቁስሊ እቲ ህዝቢ ምርሳዕ ማለት'ዩ ዝበሉ ድማ ፕሬዝዳንት ክልል ኦሮምያ ሽመልስ ኣብዲሳ እዮም። ሎማዕንቲ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ምንስቴር ዝተውሃበ መግለፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ስጉምቲ ንምውሳድ ኣንፈት ምቕማጡ ካብ ዘፍልጥ ፈላማይ እዩ።ነቲ መግፂ ዝሃባ ሓላፊት ክፍሊ ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ምንስቴር ብለኔ ስዩም እቲ በይናዊ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ተላዒሉ እንተኾይኑ ተሓቲተን ‘’ናይቲ መግለፂ ትርጉም ኣሸባሪ ህወሓት ነታ ሃገር ናብ ዝገደደ ዘይምርግጋእ ቅድሚ ምእታው መንግስቲን ህዝቢ ኢትዮጵያን ብሓባር ኣገደስቲ ዝኾኑ መንገድታት ክጥቀም እዮም ማለት እዩ’’ኢለን። ሰራዊት ምክልኻል ፍሉይ ሓይልታት ክልልን ሚሊሽያታትን ነዚ ንኢትዮጵያ ንምፍርራስ ዝተልዓለ ናይ ክሕደት ሓይልን ናይ ወፃኢ ስውር ኢድ ንምድምሳስ ሓያልን ዘየዳግምን ቅልፅምኩም ክተዕርፉ ኣንፈት ተቐሚጥልኩም ኣሎ ይብል ኣብዚ ቅኒያት ዝወፀ መግለፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ። ንባዕሉ ናይ ኦሮሞ ነፃነት ሰራዊት ኢሉ ዝፅውዕ መንግስትን ፓርላማ ኢትዮጵያን ግን ‘’ሸኔ’’ ኢሎም ዝፀውዕዎ ሓይሊ ምስ ህወሓት ወታደራዊ ስምምዕ ምግባሩ ዕላዊ ዝኾነ ትማሊ እዩ። ብዛዕባ እዚ ዝተሓተታ ብለኔ ስዩም ናይ ክልቲኦም ሓቢሮም ምስራሕ ሓዱሽ ኣይኮነን ኢለን። ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ንርእሱ ናይ ኦሮሞ ነፃነት ሰራዊት ኢሉ ዝፅውዕ መንግስቲ ግን ‘’ሸኔ’’ ኢሉ ዝፅውዖን ህወሓትን ኣሸበርቲ ኢሉ ካብ ዝምድቦም ኣዋርሕ ተቖፂሮም ኣለው።እቶም ውድባት ብወገኖም ኣብ ስልጣን ዘሎ ናይ ፌደራል መንግስቲ ሕጋውነት ከምዘይቕበሉ ብተደጋጋሚ ገሊፆም እዮም። ኣሶሼቲድ ፕረስ ዝጠቐሶ ‘’ሸኔ’’ ብዝብል ሽም ብሽብር ናይ ዝተመደበ መራሒ ድሪባ ኩምሳ ሕዚ ዘሎ በይናዊ መማረፂ ነዚ መንግስቲ ብወታደራዊ ሓይሊ ምውጋድ እዩ ኢሎም። መራሕቲ ህወሓት እውን መንግስቲ ንዘቕረብናዮም ቅድመ ኩነታት ዘይቕበል እንተኾይኑ ዘለዎ ኣማራፂ ‘’ምድምሳስ’’ እዩ ምባሎም ይፍለጥ። ብለኔ ስዩም ናይ ክልቲኦም ውድባት ስምምዕ ብመናእሰይ ኦሮሞ ይኹን ብመስረቲ ኦነግ ተቐባልነት ኣይህልዎን ኢለን። ንመራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር መግለፂ ዝሃቡ ናይ ኦሮሚያ ክልል ፕረዝዳንት ሽመልስ ኣብዲሳ ህወሓት ኣብ ህዝቢ ኦሮሞ ዘውረዶ በደል እቲ ቁስሊ ኣይሓወየን ኢሎም። ‘’ኣዚዩ ዘሕዝን እዩ’’ ዝበሉ ኣቶ ሽመልስ ንህዝቦም ክንድዚ ይንዕቑ እዮም ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን ኢሎም። ኣብ ናይ ሎሚ ናይ ቀዳማይ ምንስቴር መግለፂ ናይ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ምንቅስቓስ ብዝምልከት እውን መረዳእታ ተዋሂቡ ኣሎ።ትማሊ 277 ሰብኣዊ ረድኤት ዝፀዓና መካይን ትግራይ ምብፀሐን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ምንስቴር ኣፍሊጡ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-prime-minister-office-presser-on-current-situation\/6000510.html"} {"headline":"ኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣብ ክልል ትግራይ ሰፊሕ ጾታዊ ዓመጻት ከም ዝተፈጸመ ጸብጺቡ","content":"ኣህጉራዊ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላትኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣብ ዝዝርግሖ 37 ገጻት ዝሓዘ ጽሑፍ፡ ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ደቀንስትዮ ብሓይልታት ፈደራል፡ ሚሊሻ ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ምግሳስ፡ ጉጅለኣዊ ዓመጽን ሞራል ንምትንካፍ ዝዓለመ ደይ-መዳያዊ ግህሰትን ከም ዝወረደን ጸብጺቡ። ዋና ጸሓፊት ትካል ኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣግነስት ካላማርድ እቲ ዝወረደ በደላት ምስ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ከምኡ’ውን ገበናት ኲናት ክጽብጸብ ከም ዝከኣል ይሕብራ።ንሰን ወሲኸን፡ ሰብ-መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናጻ ምጽራይ ንምኽኣል ከፍቅድ ጸዊዐን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ መግለጺ ኣመልኪቱ ብጽሑፍ ተቓውሞኡ ክገልጽ እንከሎ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ’ውን ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓጺር መልእኽቲ፡ ነቲ ጸብጻብ ነጺጉዎ ኣሎ። ትካል ኣምነስት ኢንተርናሽናል፡ ን63 ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝወረደን ደቀንስትዮን ምስ ጾታዊ ግህሰት ኣመልኪቶም ዝሰርሑ ሰብ-ሞያ ጥዕናን ኣዘራሪቡ፡ ጽሑፍ ዘርጊሑ ኣሎ። ካብተን ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፋ ግዳያት ዓመጽ፡ 28 ብወተሃደራት ኤርትራ ከም ዝተደፍራ እቲ ጸብጻብ የምልክት። ንሰብ-መዚ ጥዕና ክልል ትግራይ ብምውካስ፡ ጽሑፍ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ከም ዝጠቕሶ፡ ማእከላት ጥዕናክልል ትግራይ ኣብ መንጎ ወርሒ ለካቲትን ሚያዝያን 1,288 ጾታዊ መጥቃዕታት መዝጊበን። ኣብ ትካል ኣምነስት ኢንተርናሽናል ላዕለወይቲ ኣማኻሪት ኣብ ጉዳያት ህጹጽ ሓደጋ ዶናተላ ሮቬራ፡ ነቲ ጽሑፍ ዘሰናዳኣ’የን። ንሰን ብድምጺ ኣመሪካ ንዝቐረበለን ሕቶ ብኸምዚ ይምልሳ፤ “ንጾታዊ ዓመጻት ኣመልኪተ ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ንልዕሊ 20 ዓመታት ሰሪሐ። ከምዚ ሕጂ ዝረኣኹዎ ዝኸፍእ ግን ኣብ ቅድሚ ሎሚ ኣይተጓነፈንን። እቲ ጾታዊ ዓመጽ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሞራል ንምድሃኽ’ውን ካልእ ብዙሕ ኣገባባት ይዝውተር ነይሩ’ዩ። እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ኣብ ልዕሊ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ቆልዑን ኣንስቲን ዝወረደ ዓመጻት ደይ-መደይ ኢልካ ዝኸፍአ ኣካላዊን ስነ-ኣእሙራዊን በሰላ ንምግዳፍ’ዩ ተዓሊሙ። ተደራራቢ፡ ብጉጅለ ዝግበር ዓመጻት፡ ንኣደታትን ቈልዑን ኣብ ቅድሚ ወለደንን ስድራቤተን ዝግበር ጾታዊ መድፈርቲ፡ ከምኡ’ውን ንመዓልታት ብዘይ መብረ ዝግበር ግህሰት፡ ማዕረ ናብ ጾታዊ ጊልያነት ዝኸይድ’ዩ::” ኣብ ትካል ኣምነስት ንጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣመልኪቱ መጽናዕቲ ዝገብርን ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፈን ፍስሃ ተኽለ፡ ንረድዮ ድምጺ ኣመሪካ ከም ዝገለጾ፡ ገለ ካብተን ግዳያት ን24 ሰዓትን ምናልባት’ውን ሰሙን ዝኸይድ ኣብ ገዛ ተዓጽየን ይዕመጻ ምንባረን ይገልጽ። ናይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ነፍሰ-ጾር ዝነበረት ጓል 20-ዓመት ዜጋ፡ ኣብ ሕዳር 2020 ብቛንቋ ኣምሓርኛ ብብዛረቡ ወተሃደራት ከም ዝተዓመጸት ንኣምነስት ኣካፊላ። “ጥንስቲ ምንባረይ ጥራይ ዘይኰኑስ ሰብ ምዃነይ’ውን ዝረስዑ ይመስሉ፡” ትብል እታ ግዳይ’ቲ ጾታዊ ዓመጽ ዝዀነት ሰብ። ካብ ትካል ኣምነስት ኢንተርናሽናል ጨንፈር ኣመሪካ ዝዀነ ኣዶተይ ኣክዊ፡ እቲ ጸብጻብ ቍንጣሮ ናይቲ ዝተፈመ ግፍዕታት ጥራይ ዘመልክት ምዃኑ’ዩ ንድምጺ ኣመሪካ ዝነግር። “እተን ዝተዓመጻ ደቀንስትዮ ካብ ደቂ 10 ዓመት ቈልዑ ክሳብ ደቂ 62 ዓመታ ዝዕድመአን ኣረጋውያን’የን። ኣብ ግዜ ዓመጽ በቶም ወተሃደራት ዝጥቀስ ዝነበረ ዓሌታዊ ጸርፊን ክሳብ ንነፍሰ-ጾራት’ውን ዘይመሓረ መጥቃዕታትን ደይ-መደይ ኢልካ ዝተፈጸመ ምዃኑ የረድእ።” ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጽሑፍ ኣመልኪቱ ብ11 ነሓሰ መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ። ንዝዀነ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዘይጸውርን ኣንጻሩ ከም ዝቐውምን ዘመልከተ መግለጺ፡ ኣብቲ እዋን ኲናት ከምኡ ዝመስል ገለ ተርእዮታት ከም ዝነበረን እቶም ፈጸምቱ ድማ ዝግበኦም ፍርዳዊ ብይን ክወሃቦም ምዃኖምን ኣመልኪቱ። ነቲ ጸብጻብ ግን “ብርሑቕን ኣብ ውሑዳን ሰባት ተመርኲስካ ዝግበር ኣመና ብዙሕ ሃጓፋት ዘለዎ” ክብል ገሊጹዎ። ኣካል’ቲ ንመንግስቲ ንምጽላም ዝዓለመ ውሁድ ዘመተ ምዃኑ ዘመልክት መግለጺ ፈደራልዊ መንግስቲ፡ ኣብ 63 ሰባት ተመርኲስካ ከምኡ ዝመስል ዓማሚ ስእሊ ምሃብ ከም ዘይክኣል ጥቒሱ። ኣካል’ቲ መጽናዕቲ ዝነበረ ካብ ኣምነስት ኢንተርናሽናል፡ ፍስሃ ተኽለ ግን ብጽምጺ ኣመሪካ፡ ፈነወ ቋንቋ ኣምሓርኛ፡ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ነቲ መጽናዕቲ ብርሑቕ ከካይዱዎ ዝገደዶም ምኽንያት ሓቢሩ ኣሎ። “እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዝና ናብ ኢትዮጵያ መገዲ ክኽፈተልና ደጋጊምና ክንሓትት ጸኒሕና። ፍቓድ ተነፊጉና ጥራይ ዘይኰነስ መልሲ’ውን ኣይተዋህበናን። ምእታው ከልኪሉና ከብቅዕ ነቲ ጸብጻብ ሻራዊ’ዩ ምባሉ ግን ቅኑዕ ኣይኰነን። ምናልባት ብኣካል ኣቲና ክንምርምር ዕድል ረኺብና እንተ ነነብር ግን ን63 ብርሑቕ ጥራይ ዘይኰነስ ካብኡ ዝባዝሓ ከነዛራርብ ምኸእልና። ሕጂ ግን ፍቓድ ስለ ዝተኸልከልና ጥራይ ኢና ከምኡ ክንገብር ክኢልና።” ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ነቲ ጸብጻብ ኣመልኪቶም ተቓውሞኦም ብትዊተር ገሊጾም ነይሮም። ክሳብ “መንግስቲ ናይ ምቕያር” ዝኸይድ ኣንጻር ኤርትራ ዝዓለመ ተጻባኢ መርገጺ ዘለዎ ትካል ኢሎም ዝጸውዑዎ ኣምነስት ኢንተርናሽናል፡ እዚ “ዳሕራይ ዝቐረበ ጸብጻብ’ውን መቐጸልታ ዝቐደሙ ዝንቡዓት ጸብጻባት’ዮም” ይብሉ ኣቶ የማነ ብትዊተር ኣብ ዝፈነዉዎ መልእኽቲ። እቶም ሚኒስተር ዜና ኣስዒቦም፡ “ጸብጻብ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ሞያውነት ዝጐደሎ ምዃኑ ኣዝዩ ብሩህ’ዩ። ኣምነስት ነቲ ዝተባህለ ክሲ ብሳልሳይ ኣካል ከረጋግጽ ኰነ ሓቅነቱ ክመሚ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይነበረን” ኢሎም። ንመርገጺ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ርእይቶአን ዝሃባ ጸሓፊት ክፍሊ ፕረስ ቤተ-መንግስቲ ዋይት ሃውስ ጀን ሳኪ’ውን ብድምጺ ኣመሪካ ተሓቲተን ነይረን። እተን ወሃቢት ቃል፤“ምስተን ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ሃገራትን መራሕቲን ብቐረባ ኢና ንሰርሕ። በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ግህሰት ከኣ ኣዚና ግሁያት ኢና፡”ኢለን። ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኵላቶም ኣብቲ ኲናት ኢድ ዘለዎም ኣካላት ተዅሲ ደው ከብሉን ነቶም ሚልዮናት ዝኣኽሉ ተጸበይቲ ረዲኤት ኢትዮጵያውያን ዘይተገደበ ሓገዝ ክባጻሕ ከፍቅዱን ደጋጊሙ ክጽውዕ ጸኒሑ’ዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንዅሉ ዝኸኣለ ሲቪላውያን ዜጋታት ኣንጻር’ቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ክዓጥቁ ይጽውዑ ምህላዎም ይዝከር። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%8A%90%E1%88%B5%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%8A%93%E1%88%BD%E1%8A%93%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%B0%E1%8D%8A%E1%88%95-%E1%8C%BE%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%8C%BB%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%98-%E1%8C%B8%E1%89%A5%E1%8C%BA%E1%89%A1\/6000395.html"} {"headline":"መግለጺ ኣብ ክልል ትግራይ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ተባሂሎም ዝጽውዑ፡ ብመንግስቲ ፈደራል ድማ ዕጡቓት ኣሸባሪ ጉጅለ ተባሂሎም ዝጽውዑ ሓይልታት","content":"ህወሓት እቶም ተዋጋእቲ “ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ” ዮም ዝብሎም ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ግን ተዋጋእቲ ኣካል’ቲ ኣሸባሪ ዝተሰምየ ውድብ ዝብሎም ሓይልታት “ወፍሪ ጸሓይ ብራቕ” ብዝብል ስም መጥቃዕቲ ከም ዝጀመሩን ዓወት’ውን ንሓፍስ ኣለናን ኢሎም። ኣብ ክልል ትግራይ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ተባሂሎም ዝጽውዑ፡ ብመንግስቲ ፈደራል ድማ ዕጡቓት ኣሸባሪ ጉጅለ ተባሂሎም ናይ ዝኽሰሱ ወሃቢ ቃል ገብረ ገብረጻድቕ፡ “ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ዓወት ንረኽብኢና። ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝነበሩ ሰራዊት ድማ ደምሲስና” ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%82%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8C%BD%E1%8B%8D%E1%8B%91-%E1%89%A5%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%8B%B5%E1%88%9B-%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%B8%E1%89%A3%E1%88%AA-%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%82%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8C%BD%E1%8B%8D%E1%8B%91-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5\/5999124.html"} {"headline":"መግለጺ ክልል ኣምሓራ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ቦታታት ናይ ምሓዝን ምስዳድን ዘይኮነስ ጉጅለ ኣሸባሪ ሙሉእ ብሙሉእ ብምድምሳስ ተለኣኣኽቱ ድማ ደጊሞም ስግኣት ኢትዮጵያ ዘይኾንሉ ኩነታት ንሓዋሩ ንምፍጣር እዩ ክብል መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ገሊፁ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB\/5999113.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ውድባት ግብረሽበራ ዝብሎም ንገዛእ ርእሶም ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ሓይልታት ትግራይን ዝብሉ ውድባት ጥምረት ምምስራቶም ተገሊጹ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ጉጅለ ፈጣሪ ራዕዲ ኢሉ ዝሰመዮ ዕጡቕ ሓይሊ ክልል ኦሮሞ ምስ’ቶም ናብ አዲስ አበባ ይምርሹ ዘለው ህወሓት እቶም ተዋጋእቲ “ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ” ዮም ዝብሎም ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ግን ተዋጋእቲ ኣካል’ቲ ኣሸባሪ ዝተሰምየ ውድብ ዝብሎም ሓይልታት ወትሃደራዊ ስምረት ንምፍጣር ከምዝተሰማመዐ ኣፍሊጡ። መራሒ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኩምሳ ድሪባ \"ተሪፉ ዘሎ እንኮ ፍታሕ፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝርደኦ መገዲ ብውግእ ምዕላው ጥራሕ እዩ\" ከምዝበለ ኣሶሴትድ ፕረስ ሓቢሩ። ፕረዚደንት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ’የ ዝብሉ መራሒ ህወሓት ደብረፅዮን ገብረሚካኤል:ፌደራል መንግስቲ ግን እቲ ክልላዊ ምምሕዳር ፈሪሱ’ዩ ኣብ ትግራይ ስልጣን ዘለዎ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ‘ዩ ዝብል ብወገኖም \"ጽጹይ ሓበሬታ ዋላ ኣይሃቡ’ምበር ምስ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ንዘራረብ ኣለና\" ከምዝበሉ ሮይተርስ ገሊጹ። ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ \"ኣብ መጻኢ ዕድል ኢትዮጵያ ምስ ዝግደሱ ሰባት ምዝርራብ ትጽበዮ ነገር እዩ\" ከምዝበለ እቲ ሪፖርት ሓቢሩ። ካብ ቤት ጽሕፈት ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ዝተሰምዐ ግብረ መልሲ ግና ዛጊት የለን። መራሒ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ኩምሳ ድሪባ (ጃል መሮ) ነዚ ዳሕረዋይ መግለጺ ዝሃበ፣ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ዝኻኣለ ኢትዮጵያዊ ምስ ሰራዊት’ታ ሃገር ተጸምቢሩ ንመብዛሕትኡ ከባቢታት ትግራይ ተቆጻጺሩ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝሰገረን ህወሓት ንሓንሳብን ንሓዋሩን ደው መታን ከብሎ ንክዋጋእ ዘቅረብዎ መጸዋዕታ’ዩ። ወሃቢ ቃል ህወሓት እቶም ተዋጋእቲ “ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ” ዮም ዝብሎም ፈደራላዊ መንግስቲ ግን ተዋጋእቲ ኣካል’ቲ ኣሸባሪ ዝተሰምየ ውድብ ዝብሎም ሓይልታት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ ኣብ ውግእ ተጸሚድና ዘለና፣ ንዝተዓጸው ኩነታት ንምኽፋት ኢና፣ ስርዓት ኣብዪ እንተወዲቁ \"ዝላዓለ ሽልማት’ዩ\" ከምበለ ኣሶሴትድ ፕረስ ጸብጺቡ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%90%E1%8C%BB%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9E-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8D%88%E1%8C%A0%E1%88%A8-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5999107.html"} {"headline":"ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ኣብ መዓስከር ተመዛበልቲ ንዝተቐትሉ 200 ዜጋታት ንምዝካር ሰለስተ ናይ ሓዘን መዓልታት ኣዊጁ","content":"ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር፣ ነቶም ኣብ ጋሊኮማ ብህወሓት እዮም ተቀቲሎም ዝበሎም ልዕሊ 200 ሰላማዊያን ሰባት ንምዝካር ናይ ሰለስተ መዓልታት ሓዘን ከምዝኣወጀ ተፈሊጡ። ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኖም \"ኣብ ጋሊኮማ ዝነበረ መኽዘን መግቢ ዘቃጸለ፣ ይሃድም ዝነበረ ሰራዊት መንግስቲ እዩ\" ከምዝበለ ዝዝከር እዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%B5%E1%8A%A8%E1%88%AD-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%90%E1%89%B5%E1%88%89-200-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%88%AD-3-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%8B%98%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%8A%E1%8C%81\/5999031.html"} {"headline":"ርእይቶ ነበርቲ ከተማ መቐለ ኣብ ጉዳይ ሕጽረት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ባንኪ:ኤሌክትሪክ: መጎዓዚያ: ስልክን ኢንተርኔትን ካብ ዝቋረፅ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ኮይኑ ኣሎ። ምቋራፅ እዚ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኣብ ህዝቢ ዓብይ ፅልዋ ይፈጥር ከምዘሎ ንድምጺ ኣመሪካ ርእይትኦም ዝሃቡ ነበርቲ ከተማ መቐለ ተዛሪቦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%88%95%E1%8C%BD%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B3%E1%89%B5\/5997873.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ዜጋታቱ ኣንጻር ህወሓት ክዋግኡ ጸዊዑ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ዜጋታቱ ኣንጻር ህወሓት ንክዋግኡ ጸዊዑ። ካብ ቤት ጽሕፈት ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ዝወጸ መግለጺ\"ድሕሪ ኣብ ሰነ ዝተተግበረ በይንኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ፣ ሰራዊቱ ካብ ክልል ትግራይ ምውጽኡን ወይ ነቲ ምቁራጽ ተዂሲ ብምቁራጽን እዩ\"። ቤት ጽሕፈት ቀ\/ሚ ኣብዪ ዝዘርገሖ መግለጺ\"ዓቅሚ ዘለዎምን ዕድመ ዝፈቅደሎምን ኢትዮጵያዊያን ናብ ሰራዊት ምክልኻልን ፣ ፍሉይ ሓይሊን ምልሻን ዝጽምበርሉ እዋን ሎሚ’ዩ\" ይብል ። ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲን ህወሓትን 4 ሕዳር ውግእ ድሕሪ ምውልዑ አርባዕተ ሚልዮን ህዝቢ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን፣ ንህጹጽ ረድኤት ተቃሊዖም ከምዘለው ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ኣሎ። ካብ ኤርትራን ክልል ኣምሓራን’ውን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ደጊፎም ኣብ’ቲ ውግእ ከምዝተሳተፉ ዝዝከር እዩ። ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ ንሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሓዊሱ ካልኦት’ውን ኣብ ልዕሊ ሓይሊታት ህወሓት ስጉምቲ ንክወስዱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንፈት ከምዘነጸረ ዝመጸና ዜና ገሊጹ። ቤት ጽሕፈት ቀ\/ሚ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ‘ኣሸባሪ ጁንታ’ ኢሉ ንዝጸወዖ ህወሓት \"ህዝቢ ክሳብ ንዘልኣለም እተዘይተፈላልዩ፣ ሓረስታይ ሃዲኡ ክሓርስ ከምዘይኽእል ንጹር ኮይኑ ኣሎ\" ይብል። ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ክልል ትግራይ ዝወጸ ተሳዒሩ’ምበር ብምቁራጽ ተኹሲ ኣይኮነን ዝብል ህወሓት ብወገኑ፣ ዝነጸሮም ቅድመ ኩነታት ተቀባልነት ክሳብ ዘይረኸቡ፣ ነቲ ውግእ ክቅጽሎ ከምዝኾነ ብዝተፈላለዩ መራሕቱ ከምዝኾነ ክገልጽ ምጽንሑ ይፍለጥ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B1-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%8C%BB%E1%88%AD-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8B%8B%E1%8C%8D%E1%8A%A1-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%91\/5997829.html"} {"headline":"ትካል ስደተኛታት ሕ\/ሃን ካልኦት ትካላትን ናብ መዓስከር ስደተኛታት ክልል ትግራይ ምብጽሖም ገሊጾም","content":"ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላትን፣ ናብ’ቶም ኣብ ክልል ትግራይ ዝተደኮኑ መዓስከራት ስደተኛታት ኤርትራዊያን ዝኾኑ ማይዓይኒን ዓዲ ሓርሽን ከምዝበጽሑ ገሊጾም። ኣብ’ቲ ከባቢ ይካየድ ዝነበረ ውግእ፣ ሰራሕተኛታት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብ 13 ሓምለ ጀሚሩ ናብ’ተን መዓስከራት ንከይበጽሑ ዓጊትዎም ከምዝጸንሐ ተሓቢሩ'ሎ። ሎሚ ግና፣ ኣገዳሲ ቀረባት ካብ ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልታት ጀሚሩ ናብ 23 ሽሕ ስደተኛታት ይኣቱ ከምዘሎ’ውን ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ሕቡራት ሃገራት ወሲኹ ይኹን ደአ እምበር ኩነታት ዘይሃድኡ ስለዘለው፣ ስደተኛታት ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ከምዝርከቡ፣ ኣገልግሎት ጥዕና ከምዘየሎን፣ ጽሩይ ዝስተ ማይ’ውን ይጽንቀቅ ምህላው ገሊጹ። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓርሽን ዘለው ስደተኛታት ኣብ ጥቃ ዳባት 135 ኪ\/ሜ ርሒቁ ናብ ዝርከብ ስፍራ ዝሓልፍሉ መገዲ ንክኽፈተሎም ጸዊዑ። ዛጊት ቀዳሞት 126 ስደተኛታት ናብ’ቲ ሓድሽ መዓስከር ከምዝኸዱ’ውን ገሊጹ። ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብዝተኸፈተ ውግእ ከምዝተሻቀለ ዝገልጽ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት አብ ክልል ኣምሓራ 100 ሽሕ ኣብ ዓፋር 70 ሽሕ ሰባት ከምዝተፈናቀሉ፣ ሰባት ሎሚ’ውን ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ይሰግሩ ከምዘለው፣ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራሕ 275,000 ሰባት እቶም 40 ሽሕ ኤርትራዊያን’ዮም ኣብ ሃምዳይት ሱዳን ከምዝበጽሑ እቲ ዜና ጠቂሱ። ብዘይካ'ዚ፣ 900 ህዝቢ ቅማንት ናብ ሱዳን ከምዝኣተው ተፈሊጡ ኣሎ። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ን96 ሽሕ ኤርትራዊያን ስደተኛታትን 650 ሽሕ ኢትዮጵያዊያንን መሐገዚ ዝውዕል 164.5 ሚልዮን ዶላር ተማሕጺኑ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A6%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%B5%E1%8A%A8%E1%88%AD-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%88%96%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/5997762.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ሳልሳይ ማዕበል ቫይረስኮሮና ምልዓሉ ሚኒስትሪ ጥዕና'ታ ሃገር ገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ሳልሳይ ማዕበል ኮቪድ 19 ከምዝተላዓለ ሚኒስትር ጥዕና’ታ ሃገር ሎሚ ኣፍሊጡ። ብሕልፊ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ክልተ ሰሙናት ናህሪ ዝርግሓ ኣዝዩ ተጋዲዱ ከምዘሎ’ውን እቲ ሚኒስትሪ ሓቢሩ። ዳይረክተር ኮሚኒኬሽን ሚኒስትሪ ጥዕና ዶክተር ተገኔ ረጋሳ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ይኽሰት ዘሎ ማዕበል፣ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋናት ኣብ መላእ ዓለም ዝረአ ዘሎ ዴልታ ዝተባህለ ዓይነት ቫይረስ እንተኾይኑ ንምርግጋጽ ኣይተኻኣለን ይብሉ ። ብመሰረት እቲ ሚኒስትሪ ዝርጋሐ ኮቪድ 19 ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ሓደ ሚእታዊት ጥራሕ ነይሩ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ግና ሸሞንተ ሚእታዊት ኮይኑ ኣሎ። እዚ ማለት ይብሉ ዶ\/ር ተገኔ \"ኣብ ኢትዮጵያ ሳልሳይ ማዕበል ኮቪድ 19 ከምዝተላዓለ ሓባሪ እዩ\" ኢሎም። ኣብ ኢትዮጵያ፣ ዛጊት 284,500 ሰባት ብኮቪድ 19 ሓሚሞም፣ 4,430 ሞይቶም፣ 264,673 ድማ ካብ’ቲ ቫይረስ ምሕዋዮም ተሓቢሩ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%B3%E1%88%8D%E1%88%B3%E1%8B%AD-%E1%88%9B%E1%8B%95%E1%89%A0%E1%88%8D-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8B%93%E1%88%89-%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5997733.html"} {"headline":"'ኣብ መዕቖቢ እናሃለው ተቐቲሎም ናይ ዝተብሃሉ 48 ሰባት ሬሳ ኣይተረኸበን' ክልል ዓፋር","content":"ኣብ ክልል ዓፋር ካብ ኲናት ሃዲሞም ኣብ ጋሊኮማ ኣዕቒቦም ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ስቪላት ብዝወረደ ብዝተብሃለ መጥቓዕቲ ካብ ዝተቐትሉ ልዕሊ 200 ሰባት ናይቶም ኣስታት 50 ዝኾኑ ኣስክሬን ክሳብ ሕዚ ከምዘይተረኸበ ናይ ዓፋር ክልላዊ መንግስቲ ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ኣፍሊጡ።በቲ መጥቓዕቲ ዝተኸሰሰ ንርእሱ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኢሉ ናይ ዝፅውዕ ሓይሊ ወሃቢ ቃል ዝኾኑ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ተፈፂሙ ዝተብሃል ሓደጋ ንምምርማር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ክሰርሕ እዩ ኢሎም። ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ከያሎ፣ከሎን ገታን ከባቢታት ዝተመዛበሉ 30,000 ሰባት ኣብ ዘዕቖቡሉ ማእኸል ጋሊኮማ ሰበስልጣን ክልል ዓፋር ህወሓት ኢሎም ዝፀውዕዎ ንባዕሎም ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኢሎም ዝፅውዑ ቅድሚ ሽዱሽተ ማዕልታት ለይቲ ፈፅቲሞምዎ ብዝተብሃለ መጥቓዕቲ ከቢድ ብረት ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝተቐተሉ ናይ ዓፋር ክልላዊ መንግስቲ ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ኣይሻ የሱፍ ገሊፀን። ‘’ህዝብና ብከቢድ ፀገም እዩ እናሓለፈ ዝርከብ’’ዝበላ ኣይሻ የሱፍ እቲ ‘’ጁንታ’’ ኣብ መዕቖቢ ጋሊኮማ ንዝነበረ ህዝቢ እዩ ኣጥቒዑ ኢለን።’’ናይ 203 ሬስኦም ተረኺጉ ናይ 48 ሰባት ግን ኣይተረኸበን’’ኢለን ብምውሳኽ። ህፃናት፣ደቂ ኣንስትዮን ዓበይትን ግዳያት ናይቲ መጥቓዕቲ ምዃኖም ገሊፀን ኣለዋ።ከቢድን ቀሊልን መጉዳእቲ ዝወረዶም ብርክት ዝበሉ ሕክምና ይከታተሉ ከምዘለው እውን ሓቢረን። እቲ ወታደራዊ ግጭት ናብ ከባቢታት ጉሌና፣ኣውራን ጉባን ከምዝተጋፍሐ ናይቲ ክልል ምኽትል ኮሚሽነር ቤት ህንፀት መሓመድ ኣሕመድ ያሎ ገሊፆም ኣለው። ኣብቲ መዕቖቢ ማእኸል ንዝርከቡ 30,000 ተመዛበልቲ ንምቕላብ ዝተቐመጠ ምግቢ ተቓፂሉ ኣብ ልዕሊ እቶም ተመዛበልቲ ስነ ኣእሙራዊ በሰላት ወሪዱ፣ነፍሰ ፁር ኣዴታት ካብቲ ግጭት ንምህዳም ፈቐዶ መንገዲ ወሊደን ነቲ መጥቓዕቲ ፈፂሞም ብዝተብሃሉ ንብረት ከምዝተወረረ እቶም ምኽትል ኮሚሽነር ገሊፆም። ንርእሱ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኢሉ ናይ ዝፅውዕ ሓይሊ ኣቐባሊ ቃል ዝኾኑ አቶ ጌታቸው ረዳ ብቲዊተር ኣብ ዝዘርግሑዎ መልእኽቲ ብፈፃሚ ዳይረክተር UNICEF ዝወፀ መግለፂ ኣማእቲ ሰባት ተቐቲሎም ዝብል መግለፂ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ እዩ ኢሎም።ናይ ኣብይ ኣሕመድ ኢሎም ዝፀውዕዎም ሓይልታት ፌደራል 5 ሓምለ 2021 ኣ\/ፈ ኣብ ልዕሊ ሓይልታቶም ኣብ ጋሊኮማ መጥቓዕቲ ፈኒዮም ንድሕሪ የንሳሕብ ዝነበረ ሓይልታት መንግስቲ ረድኤት ንዝደልዮም ቀረባት ዝሓዘ ምሉእ መኽዘን ኣቃፂሎም ክብሉ ከሲሶም። ሓይልታቶም ነቲ ዝተፈነወ መጥቓዕቲ ኣፍሺሎም ናብ ካምፕታቶም ከምዝተመለሱ ብምግላፅ ኣብይ ኣሕመድ ህፃናት ንሓደጋ ምቅላዕ ሓዊሱ ንሓይልታትና ንምፅላም ዝዓግቶ የለን ኢሎም። ንዝኾነ ይኹን ኣፅዋር ኣይንብርከኽን ክብሉ ቅድሚ ማዕልታት ዝተዛረቡ ናይቲ ክልል ርእሰ ኣማሓዳሪ ኣወል ኣርባ ወራር ዝተፈፀመና ካብ ክልል ኦሮሚያ ንዝመፀ ሓይሊ ስለዝተቐበልና እዩ ዝብሉ ሰባት ኣለው እዚ ጌጋ እዩ ንዓና ካብ ሓይልታት ኢትዮጵያ ንምንፃል ዓሊሙ ዝተፈፀመ እዩ ምባሎም ጠቒሱ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ምፅብፃቡ ይዝከር ይብል መስፍን ኣራጌ ዝለኣኾ ፀብፃብ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/in-the-afars-killing-48-bodies-were-not-recovered-said-afar--regional-government\/5997721.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ወልዲያን ከባቢኡን ብዘሎ ኲናት ነበርቲ ካብ መንበሪኦም ይወጹ ምህላው ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ከባቢ ከተማ ወልዲያ ይካየድ ብዘሎ ውግእ ስላማውያን ሰባት ከባቢኦም ገዲፎም ይወፁ ምህላዎም ተገሊፁ ። ኣብቲ ኸባቢ መስመራት ስልኪ ምቁራፁ ስዒቡ እቲ ውግእ ዝርከበሉ ኩነታት ፣ ዝበፅሐ ጉድኣትን ካልኦት ሓበሬታታትን ብትኽክል ክርከብ ኣይተከአለን።ይኹን'ምበር ብዓይንና ሪኢና ዝበሉ ነበርቲ ከተማ ውጫለ ንወልዲያ ሓዊሱ ካብ ስሪንቃ ፣መርሳን ከባቢኡን ሰባት ሃዲሞም ናብ ጎረባብቲ ከተማታት ውርጌሳ ፣ ውቻለን ከተማ ሀይቅን ይኣትዉ ምህላዎም ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ሓቢሮም ። መንግስታዊ ምምሕዳር ከተማ ወልድያን ነበርትን ቅድም ክብል ካብ ሕወሓት ብተደጋጋሚ ንዝፍነው መጥቓዕቲ ንምክልኻል ናይ ሞትን ሕውየትን ቃልሲ የካይዱ ምህላዎም ኣብ ዝተፈላለዩ ማዕከናት መራኸቢ ዜና ክገልፁ ቀንዮም ነይሮም። ህዝባዊ ርክባት ምምሕዳር ከተማ ወልዲያ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ገጹ ህፁፅ መልእኽቲ ክብል ኣብ ዘስፈሮ ፅሑፍ ናብ ሎሚ ለይቲ ኣብ ዘውግሕ ህወሓት ብተደጋጋሚ ደብዳባት ከበድቲ ኣፅዋር ምክያዱ ገሊፁ ብዛዕባ ዝወረደ ጉድኣት ግን ዝበሎ የለን ። እቲ ፅሑፍ ነበርቲ እታ ከተማ ኢሎምኒ ክብል ኣብ ዘስፈሮ ሓሳብ መንግስቲ ብርቱዕ ተሞክሮ ቃልሲ እቲ ህዝቢ ተጠቂሙ ቅልጡፍ ግብረመልሲ ብዘይምውሳዱ ንሳቶም ጁንታ ክብሉ ዝፀውዑዎ ኣካል ንከተማ ወልድያ ከዕኑ ዝኽእል ከበድቲ ኣፅዋራት ይትኩስ ኣሎ ክብሉ ምግላፆም ጠቂሱ ። መንግስቲ ነቲ ክወርድ ዝኽእል ዕንወት ኣብ ግምት ዘእተወ ስጉምቲ ክወስድ ሓቲቶም ። ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ግዛቸው ሙሉነህ ንውሑዳት ደቃይቅ ምስ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕተት ህወሓት ይወርዶ ብዘሎ ስዕረት ተስፋ ቆሪፁ ኣብ ወልዲያ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ሰባት መጥቓዕቲ ፈፂሙ ኢሎም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%8B%B3%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%8A%A1%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%88%AA%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%8C%B9-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5996478.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ዶ\/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል ምስ ቴለቭዥን ክልል ትግራይ","content":"ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል“ ፈደራል መንግስቲ ዘለዎ ኣማራጺ፡ ብመንግስቲ ክልል ትግራይ ዝቐረበ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ቅድመ-ኩነት ተቐቢሉ ኣብ ልዝብ ምእታው ወይ ድማ ክድምሰስ’ዩ” ኢሎም። መራሒ ህወሓት ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ፕረዚደንት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ’የ ይብሉ ፡ ፌደራል መንግስቲ ግን እቲ ክልላዊ ምምሕዳር ፈሪሱ’ዩ ኣብ ትግራይ ስልጣን ዘለዎ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ‘ዩ ይብል፡ ንሶም ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ጠሚቱ ምስ ቴለቪዥን ክልል ትግራይ ኣብ ዝገበሩዎ ቃለ-መጠየቕ፡ “ትግራይ ካብ ወረረቲ ናጻ ናይ ምውጻእን መንግስነት ድማ ናብ ቦታ ናይ ምምላስ ቃልሲ ዝበዝሕ ተፈጺሙ’ዩ፣ ዝተረፈ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ክዛዘም’ዩ፡” ኢሎም። ብተወሳኺ ድማ “ህዝቢ ትግራይ ቀጻሊ ዕድሉ ዝውስነሉ ኩነታት ክዳለው’ዩ” ብምባል ተዛሪቦም። ካልእ ብመንግስቲ ክልል ትግራይ ዝወፀ መግለፂ ድማ ህወሓት እቶም ተዋጋእቲ “ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ” ዝብሎም ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ግን ተዋጋእቲ ኣካል’ቲ ኣሸባሪ ዝተሰምየ ውድብ ዝብሎም ሓይልታት ኣብ ዝሓዙዎ ከባቢታት ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ሰላማዊ ሰባት፣መሰረተ ልምዓትን ታሪኻዊ ሓድግታትን ጉድኣት ከይወርዶም ኣድላይ ዘበለ ጥንቃቐ ይግበር ኣሎ ክብል ኣፍሊጡ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%8C%BD%E1%8B%A8%E1%8A%95-%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%9A%E1%8A%AB%E1%8A%A4%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%89%B4%E1%88%88%E1%89%AD%E1%8B%A5%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/5996453.html"} {"headline":"ማእከላይ ኮሚተ ህወሓት ድሕሪ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣኼባ ምክያዱ ኣፍሊጡ","content":"ማእከላይ ኮሚተ ህዝባዊ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ድሕሪ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣኼባ ከም ዘከየደ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ጽሑፍ ዜና ኣፍሊጡ። ህወሓት፡ ኣብ ዘካይዶ ኣኼባ፡ እቲ ውድብን መንግስቲ እቲ ክልልን ከሓይሉ ግደ ነይሩዎም ንዝበሎም ኣካላት ኣመስጊኑ።ህወሓት ብፓርላማ ኢትዮጵያ ኣሸባሪ ተባሂሉ ምምዳቡ ይፍለጥ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8B%E1%8B%AD-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B0-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%88%B8%E1%88%9E%E1%8A%95%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%8A%A3%E1%8A%BC%E1%89%A3-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8B%AB%E1%8B%B1-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5996433.html"} {"headline":"ሱዳን ኣምባሳደራ ካብ ኢትዮጵያ ምውጽኣ ኣፍሊጣ","content":"ኢትዮጵያ ሱዳን ንኵናት ክልል ትግራይ ክትሽምግል ንዘወሰደቶ ተበግሶ ድሕሪ ምንፃጋ ሱዳን ኣምባሳደራ ካብ ኢትዮጵያ ምፅውዓ ትማሊ ሰንበት ኣፍሊጣ።ናይ ሱዳን ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ርክባት ክልቲአም ጎረባብቲ ሃገራት እናተሸርሸረ ምምፅኡ ዘመልክት እዩ ኢሉ። እቲ ወጥሪ ዝጀመረ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ንናይ ክልል ትግራይ ግጭት ተበሊፆም ወታሃደራት ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ኢሎም ድሕሪ ምኽሳሶም እዩ።ብመሰረት ፀብፃብ ሮይተርስ ወታሃደራት ሱዳን ናብቲ ቅድሚ ኵናት ክልል ትግራይ ዝነበርሉ ቦታ ክምለሱ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ይፅውዑ ይብል ። ብዛዕባ እዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንጋዜጠኛታት ዝተዛረባ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ሓላፊት ክፍሊ ፕረስ ብልለኔ ስዩም ምስ ገለ መራሕቲ ሱዳን ዘለና ምትእምማን ተሽሰርሺሩ እዩ ኢለን። \"ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ ሱዳን ዘለና ርክብ ኣፀጋምን ጥንቃቐ ዝሓትትን እዩ።ምኽንያቱ ምስ ገለ መራሕቶም ዘለና ናይ ምትእምማን ደረጃ ተሸርሺሩ ኣሎ።ብፍላይ ድማ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ ብዘካየዶ ወራር ብዝተኣሳሰረ።እምነት ድማ ንዝኾነ ይኹን ሽምግልና ወይ ልዝብ መሰረት እዩ።ስለዚ ሱዳን ከምዚ ዝበለ ልዝብ ንምድላው እትኽእል እምንቲ ሃገር ኮይና ክትርአ መጀመሪያ እቲ ጉዳይ ክፍታሕ ኣለዎ\"ኢለን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B3%E1%8B%B0%E1%88%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%8C%BD%E1%8B%93-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A3\/5996294.html"} {"headline":"ክልል ትግራይ:ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንኣስታት 1 ሚልዮን ሰባት ካልኣይ ዙር ሓገዝ ምብጽሑ ኣፍሊጡ","content":"ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዋላ'ኳ ሓያሎ ፈተናታት እንተጋጠሙ'ውን ኣብ ገለ ክፋላት ሰሜን ምዕራብን ደቡብን ክልል ትግራይ ኣብ ወርሒ ሰነን ሓምለን ንልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ሰባት ኣብ ካልኣይ ዙር መግቢ ከምዘከፋፈለ ገሊፁ። ብሰንኪ ከቢድ ሕፅረት መግቢ፣ገንዘብ፣ነዳዲን ቴሌኮምኒኬሽንን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ኣፍደገ ዓፀቦ ዝርከቡ ሓዊሱ ንሓደጋ ካብ ዝተቓልዑ ናብቶም ፍርቂ ጥራሕ ከምዝበፅሐ ገሊፁ ኣሎ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ካብ ነሓሰ ጀሚሩ 2.1 ሚሊዮን ሰባት ክሕግዝ ዓሊሙ ይንቀሳቐስ ኣሎ።እንተወሓደ 6,000 ሜትሪክ ቶን መግቢ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን የድሊ ይብል።ብሰንኪ ፀገም ፀጥታን ድሩትነት ምንቅስቓስን እቲ ዘድሊ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ከግዕዝ ከምዘይከአለ'ቲ ትካል ወሲኹ የረድእ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%8A%95%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-1-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A3%E1%8B%AD-%E1%8B%99%E1%88%AD-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%88%91-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1-\/5996248.html"} {"headline":"ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ሓደስቲ ጳጳሳት ቀቢኣ","content":"ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ብሓሙስ 5 ነሓሰ,2021 ኣብ ዝተፈላለዩ ገዳማት ከገልግሉ ዝጸንሑ ሽዱሽተ ሓደስት ጳጳሳት ቀቢኣ። እቲ ብመሪሕነት ብጹእ ውቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ ቀዳማዊ 5ይ ፓትሪያርክ ኤርትራ ዝተኻየደ ስመተ ውተቀብኦ ፡ብሞት ዝተፈልዩ ብጹኣን ጳጳሳት ንምትካእን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዝተፈጥረ ሃጓፋት ንምምላእ ከምዝኾነ ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ገሊጹ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A6%E1%88%AD%E1%89%B6%E1%8B%B6%E1%8A%AD%E1%88%B5-%E1%89%B0%E1%8B%8B%E1%88%85%E1%8B%B6-%E1%89%A4%E1%89%B0-%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8C%B3%E1%8C%B3%E1%88%B3%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%89%A2%E1%8A%A3\/5993716.html"} {"headline":"'ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ረድኤት ዝተነብረ እገዳ ከይተላዕላ ካብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ምውጻእ ዝበሃል የለን' ኣቶ ጌታቸው ረዳ","content":"ንሰራዊት ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ሓይሊ፣ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ግን “ኣሸባሪ” ተባሂሉ ዝተሰመየ፣ ንላሊበላ ድሕሪ ምቁጽጻሩ መግለጺ ዝሃበ ወሃቢ ቃል’ቶም ሓይልታት አቶ ጌታቸው ረዳ፣ እቲ ሰራዊት ካብ ጎረባብቲ ክልላት ከምዘይወጹ ኣፍሊጡ። ኣቶ ጌታቸው \"ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ረድኤት ዝተነበረ ክልከላ ክሳብ ዘይተላዓለ፣ ካብ ዓፋርን ኣምሓራን ምውጻእ ዝባሃል ነገር አይክህሉን እዩ\"ኢሉ ። ንሰራዊት ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ሓይሊ፣ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ግን “ኣሸባሪ” ተባሂሉ ዝተሰመየ፣ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝርከብን ኣብ ዩኔስኮ ብቅርስነት ዝተመዝገበን ታሪኻዊ ስፍራ ላሊበላ ትማሊ ከምዝተቆጻጸሩ ዝዝከር እዩ። ትካል ዜና ፈረንሳ ዝጠቀሶም ብርክት ዝበሉ ምስክራት \"ከተማ ላሊበላ ብዘይ ተኹሲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝዋዓለት\" ገሊጾም። ኣመሪካ ብወገና እቶም ተዋጋእቲ፣ ነቲ ታሪኻዊ ስፍራ ንክከላኸሉ ጸዊዓ ኣላ።ኣመሪካ \"ላሊበላ፣ ንስልጣኔ ኢትዮጵያ ዘጉልህ’ዩ\" ትብል። ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ \"ሰራዊቶም ንላሊበላ ዝተቆጻጸረ፣ ምስ መንግስቲ ዝውግኑ ሓይልታት መታን ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ክልል ኣምሓራ ዳግም ከይወዳደቡ ንምግታእ እዩ\" ኢሉ። ‘ኣብ ትሕቲ ከበባ ኢና ንርከብ፣ ኣብ ሓጹር እዮም ኣእትዮምና’ ዝብል ኣቶ ጌታቸው፣ ዕላማና ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ግዝኣት ንምሓዝ ኣይኮነን፣ ናብ ትግራይ መተሓላለፊ ንምኽፋት’ምበር’ ኢሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ መራሕቲ ምዕራባዊያን ንገበን ዝበልዎ ተግባር ህወሓት ብስቅታ ይሓልፉዎ ኣለው ከምዝበለ ዝዝከር እዩ ይብል እቲ ዜና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%A8%E1%8B%B5%E1%8A%A4%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%90%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%8A%A5%E1%8C%88%E1%8B%B3-%E1%8A%A8%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%8B-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%8C%BB%E1%8A%A5-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%83%E1%88%8D-%E1%8B%A8%E1%88%88%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%8C%8C%E1%89%B3%E1%89%B8%E1%8B%8D-%E1%88%A8%E1%8B%B3\/5993704.html"} {"headline":"መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ \"ተግባር ህወሓት፣ ንትዕግስቲ ፌደራል መንግስቲ ከምፈተኖን፣ ካብ ምክልኻል ናብ ምጥቃዕ ንክሰጋገር ይደፍኦ ኣሎ\" ክብል ኣጠንቂቁ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሎሚ ዓርቢ ብመሰረት ዝዘርገሖ መግለጺ \"ህወሓት ንሞት እቶም ጋሻ ክኾኑ ዝተጠቀመሎም ኣሻሓት ቆልዑ ተሓታቲ ክኾን ኣለዎ\" ይብል። መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ \" መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ንዘሎ ኩነታት፣ ነባሪ ፍታሕ ንምምጻእ፣ ዘይፈንቀሎ እምኒ የለን፣ ነገር ግን፣ ህወሓት ንዝቀጸሎ ውግእ፣ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ንምስፋሕን ነታ ሃገር ናይ ምፍራስ ምንቅስቃስ ግብረ መልሲ ንምሃብ ይግደድ ኣሎ\" ይብል ። ትካል ዜና ፈረንሳ ዝጠቀሶም ኣቶ ጌታቸው ረዳ \"ክሳብ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ረድኤት ተነቢሩ ዘሎ እገዳን ከበባን ዝላዓል ተዋጋእቶም ካብ ጎረባብቲ ክልላት ከምዘይወጹ\" ምግላጾም ተፈሊጡ ኣሎ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/5993694.html"} {"headline":"መግቢ:ነዳዲን ካልእ ቐረብ ዝጸዓና 175 መካይን መቐለ ምእታወን ተገሊጹ","content":"175 መግቢ፣ ዘይመግባዊ ቀረባትን ነዳዲን ዝጸዓና መካይን ትማሊ ሓሙስ ኣብ መቐለ ከምዝኣተዋ ኦቻ (ኣተሓባባሪ ህጹጽ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት) ገሊጹ። ኣቐዲሙ 50 ናይ ጽዕነት መካይን ናብ ክልል ትግራይ ከምዝበጽሓ ዝዝከር እዩ። እዘን ዳሕረዎት ናይ ጽዕነት መካይን ገለ ካብ’ተን ካብ ሰመራ ዓፋር ናብ መቐለ ዝብገሳ 223 መካይን እየን። ካልኦት መካይን ናብ ክልል ትግራይ ናይ መወዳእታ ነቁጣ ፍተሻ ኣብ ዝኾነ ቦታ ከምዝርከባ፣ ክልተ መካይን ቅድሚ ሰሙን ካብ ሰመራ ኣብ ርሕቀት 97 ኪ\/ሜ ብሰላማዊያን ሰባት ተዓጊተን ከምዝተሰረቃ’ውን እቲ ዜና ሓቢሩ። ኦቻ ኣብ መግለጺኡ፣ ናይ’ዘን መካይን ናብ መቐለ ምብጻሕ ኣዎንታዊ እዩ እንተኾነ ኣኻሊ ኣይኮነን፣ 5.2 ሚልዮን ህዝቢ ንምቅላብ መዓልታዊ 100 ናይ ጽዕነት መካይን ኣብ መvለ ክኣትዋ ግድን እዩ ይብል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8A%90%E1%8B%B3%E1%8B%B2%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A5-%E1%89%90%E1%88%A8%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8B%93%E1%8A%93-%E1%88%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%88%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5993685.html"} {"headline":"ኣመሪካ: ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህጹጽን ብዘይቕድመ ኩነትን ተኹሲ ደው ኣብ ምባል ክዘራረቡ ጸዊዓ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ብህጹጽን ብዘይቅድመ ኩነታትን፣ ኣብ ልዕሊ ምቁራጽ ተኹሲ ክዘራረቡ ወሃቢ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኒድ ፕራይስ ትማሊ ሓሙስ ገሊጹ። ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ክልል ትግራይ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብምኲናን፣ ፈጸም’ቲ ግፍዒ ናብ ፍርዲ ክቀርቡን ክሕተቱን፣ ተዋጋእቲ ሓይልታት ካብ ተመሳሳሊ ተግባር ንክቁጠቡ ኣተሓሳሲቡ። ኔድ ፕራይስ\"ምስ ህወሓት ዝወገኑ ዕጡቃትን ምልሻታትን ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊያን ስደተኛታት መጥቓዕቲ ከምዝፈጸሙ ብዝሕብሩ ተኣማኒ ሓበሬታታ ተሻቂልና አለና፣ ዝውቀስ ተግባር እዩ፣ ደው ክብል ኣለዎ\" ኢሉ ። ፈጸምቱ ክሕተቱ’ውን ጸዊዑ። ንሱሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ካብ ክልል ትግራይ ወጻኢ ንዝርከቡ ተጋሩ ከምዘጋፍዑን ከምዝኣስሩን፣ ኣብ ዓሌት ዝተመስረተ ምክልባትን ምድጓንን ተቀባልነት ዘይብሉ እዩ፣ ደው ክብል ይግባእ ይብል ። ኔድ ፕራይስ ወሲኹ ኩሎም ተዋጋእቲ ሓይልታት፣ ንዓለምለኸ ሕጊ ክምእዘዙ፣ ደጋጊምና ከምዝበልናዮ ‘ውሽጣዊ ወሰናት’ ብሓይሊ ንምቅያር ዝግበር ፈተነ ተቀባልነት ዘይብሉ እዩ ኢሉ ። ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዘገድሶም ብዓመጽ ዘይኮነ ብልዝብን ዴሞክራሲያዊ ኣገባብን ጸገሞም ምፍታሕ ከምዝኾነ’ውን ጠቂሱ። ህወሓት ንቆልዑ ናብ ሰራዊቱ ይኸትብ ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ብርቱዕ ሻቅሎት ፈጢሩልና እዩ ከምዝበለ’ውን ዝመጸና ዜና ሓቢሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%85%E1%8C%B9%E1%8C%BD%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%95%E1%8B%B5%E1%88%98-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8A%B9%E1%88%B2-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%8A%AD%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%A8%E1%89%A1-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%93\/5993668.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ዒላማ መጥቓዕቲ ይኾኑ ምህላዎም ኪኢላ ሕ\/ሃ ገሊጹ","content":"አብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት፣ ዒላማ መጥቓዕቲ ኩሎም ወገናት ይኾኑ ከምዘለው ዝገለጸ ኪኢላ ሕቡራት ሃገራት \"ኩሎም ሓይልታት፣ ብመሰረት ዓለምለኸ ሕጊታት ንስደተኛታት ክከላኸሉሎም\" ጸዊዑ። \"ውግእ ካብ ዝጀመረሉ ጊዜ ጀሚሩ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊያን ስደተኛታት መግሃስቲ መሰላትን ግህሰት ሰብኣዊ ሕጊታትን ከምዝተፈጸመ ዝሕብሩ ጭብጢታት በጺሑኒ’ዩ\"ዝበሉ ፍሉይ ራፖርተር ሕቡራት ሃገራት ዶ\/ር መሓመድ ዓብድሰላም ባቢከር \"ፈጸምቱ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ወትሃደራት ኤርትራን ምስ ህወሓት ዝወገኑ ሓይልታትን’ዮም\" ኢሎም። ኤርትራዊያን ስደተኛታት ዒላማ መጥቓዕቲ ዝኾኑ ምስ’ቲ ካልእ ወገን ወጊንኩም ተባሂሎም ከምዝኾነ’ውን ይሕበር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%92%E1%88%8B%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8B%AD%E1%8A%BE%E1%8A%91-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%8A%AA%E1%8A%A2%E1%88%8B-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5993654.html"} {"headline":"ሓላፊ ምውህሃድ ህጹጽ ኩነታት ኣብ ሕ\/ሃ ተጻብኦታት ክዓርፍን ዝያዳ ሓገዝ ንትግራይ ክለኣኽን ይጠልቡ","content":"ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ምውህሃድ ህጹጽ ሓገዛት ዝዀኑ ማርቲን ግሪፍዝ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ንዘንጸላሉ ዘሎ ከቢድ ጥሜት ንምዕጋት ተጻብኦታት ደው ክብልን መዓልታዊ 100 ናይ ረዲኤት ጽዕነት ዝሓዛ ዓበይቲ መካይን ድማ ክለኣኻን ኣዘኻኺሮም። ኣብ ትሕቲ ክፍሊ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ዝጥርነት ክፍሊ ምውህሃድ ህጹጽ ሓገዛት ሓላፊ ዝዀኑ ማርቲን ግሪፍዝ፡ ሽዱሽተ መዓልታት ንዝወሰደ ናይ ኢትዮጵያ ዑደቶም ዛዚሞም ኣለዉ። ግሪፍዝ ከም ዝሓበሩዎ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ተኸልኪለን ዝጸንሓ፡ ረዲኤት ዝጸዓና 178 መካይን፡ መገደን ንክልል ትግራይ ክቕጽላ ፍቓድ ረኺበን ኣለዋ። ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ንምምላስ ግን መዓልታዊ ኣስታት 100 ዝዀና ናይ ጽዕነት መካይን የድልያ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ትግራይ፡ በይንኣዊ ናይ ምቍራጽ ተጻብኦ ገይሩ’ዩ። ካብኡ ንደሓር ከኣ እታ ኲናት ሃስዩዋ ዝነበረ ክልል ናይ ኲናት ተዅሲ ከም ዝነከየን፡ በዚ ምኽንያት እዚ’ውን ትካላት ረዲኤት ቅድም ክበጽሑዎ ዘይክእሉ ዝነበሩ ቦታታት ሓገዝ ከብጽሓ ኣጸጋሚ ዘይምዃኑ’ዮም ይገልጹ። “እቲ ቀረባት ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ኣተወ፡ ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ብምብጻሑ ኣይከጸግመናን’ዩ። ኣብ ትግራይ መስመራት ኣሎ። ክሳብ ሕጂ እቲ ኣጸጋሚ ኰይኑ ዝጸንሐ ግን ስእነት ቀረብ’ዩ። ስለዚ ድማ ብዙሕ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ስራሓት’ዩ ዘሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ከኣ ኣዝዩ ተነቃፊ’ዩ።” ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ኣርባዕተ ሚልዮን ሰባት ብጽንኩር ጥምየት ይሳቐዩ ከም ዘለዉን 400-ሽሕ ካብዚኣቶም ኣብ ድርኩዂት ዓጸቦ ከም ዝርከቡን’ውን ገሊጹ ኣሎ። ግሪፍዝ ከም ዝሕብሩዎ፡ ነቲ ናይ ሓገዝ ስራሓት ዘሳልጥ ዘሎ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ፍቓድ ምስ ዝወሃቦም፡ 100 መካይን ረዲኤት መዓልታዊ ናብ ክልል ትግራይ ንምብጻሕ ከም ዝኽእሉ ኣረጋጊጾምሉ’ዮም። እቶም በዓል-መዚ ግን ነቲ ኵነታት ንምምእዛን ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ደው ክብል ኣዘኻኺሮም። “ቅድሚ ገለ ሰሙናት ብቐዳማይ ሚኒስተር ዝተወስደ በይንኣዊ ምቍራጽ ተጻብኦታት ብሓጐስ እቕበሎ። ኣብኡ ዝያዳ ክንስርሕ ኣገዳሲ’ዩ። በቶም ካልኦት ወገናት ተመሳሳሊ ስጕምቲ ተወሲዱ፡ ንህዝቢ ትግራይን መዳውብቱ ክልላትን፡ ካልእ እንተ ተረፈስ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ እታ ፍርቂ ናይ ምድሓን ዕድል እኳ ክወሃቦ ኣድላዪ’ዩ።” እቶም በዓል-መዚ በቲ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዝለሓመ ግጭት ሻቕሎቶም ገሊጾም። ብሰንኩ ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ 100-ሽሕ ኣብ ክልል ዓፋር ድማ 70-ሽሕ ዜጋታት ከም ዝተመዛበሉ ወሲኾም ገሊጾም ኣለዉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8A-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%85%E1%88%83%E1%8B%B5-%E1%88%85%E1%8C%B9%E1%8C%BD-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%89%B0%E1%8C%BB%E1%89%A5%E1%8A%A6%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8B%93%E1%88%AD%E1%8D%8D%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%8B%AB%E1%8B%B3-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%95%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%88%E1%8A%A3%E1%8A%BD%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%8C%A0%E1%88%8D%E1%89%A1\/5993604.html"} {"headline":"ጋዜጣዊ መግለፂ ሓላፊት ክፍሊ ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም","content":"ሓደ ኣሸባሪ ጉጅለ ንሕጋዊ መንግስቲ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ቅድመ ኩነት ከቕርብ ኣይኽእልን ኢለን ሓላፊት ክፍሊ ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም። ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቐረበ በይናዊ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ውሳነ ዘይተቐበሉ መራሕቲ ህወሓት ዝተፈላለዩ ቅድመ ኩነታት ምቕማጦም ይፍለጥ ይብል ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰብኣውነት ዝተመስረተበይናዊ ቶኽሲ ጠጠው ኣቢለ ንዝበሎ ከምዘይቕበሉዎ ብወግዒ ዝገለፁ መራሕቲ ህወሓት ናይ በጀት ምስዳድ፣ናይ ስልክን ባንክን ካልኦት ኣገልግሎታትን ምጅማርን ናይ ኣምሓራ ፍሉይ ሓይሊ ካብ ምዕራብ ትግራይ ምውፃእን ዝኣመሰሉ ቅድመ ኩነታት ኣቐሚጦም እዮም ። ብዛዕባ ዝተቐመጡ ቅድመ ኩነታት ቅዋም መንግስቲ ዝተሓተታ ሓላፊት ክፍሊ ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ‘’ኣብ መንጎ መዘናታት ዘሎ ጉዳይ ኣይኮነን’’ ኢለን። ብዶብ ሱዳን ብወገን ሑመራ ናብ ትግራይ ዝኸይድ መስመር ሰብኣዊ ረድኤት ንክኽፈት ድፊኢት ከምዘሎ ዝገለፁ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትዊተርን ኣብ ቃለ መጠይቕን ነቲ ሓሳብ ክቃወሙዎ ፀኒሖም ኣለው። ብዛዕባ እዚ ዝተሓተታ ቢልለኔ ስዩም ናብ ክልል ትግራይ ረድኤት ዝበፅሐሉ መማረፂ መስመር ክኽፈት ካብ ዓለምለኸ መሻርኽቲ ዝቐረበ ዕላዊ ሕቶ የለን ኢለን።ንሬድኤት ዝሓሸ መስመር ናይ ምውሳን ስልጣን ግን ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ ኢለን። ከም ልኡላዊ መንግስቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብን ኣየናይ መስመር እዩ ቀሊል፣ውፅኢታዊን ስሉጥን ዝብሉ ንምምራፅ ሓላፍነት ኣለዎ፤ሰልዝኾነ ድማ ክልል ዓፋር ንወደብ ጅቡቲ ብዘለዎ ቅርበት ንመሕለፊ ሰብኣዊ ረድኤት መንግስቲ መሪፁዎ ኣሎ ኢለን ብምውሳኽ ። ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መጀመሪያ እዚ ሰሙን ኣብ ክልል ዓፋር ተረኺቦም ከምዝነበሩ ዘረጋገፃ እተን ሓላፊት ፕረስ ምስላጥ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝምልከት ምዝርራቦ ኣመልኪተን።እቶም ቀዳማ ምንስቴር ኣብ ናይ ዓፋር ዑደቶም ምስ መራሕቲ እቲ ክልልን ሽማግለታት ዓዲን ምዝርራቦ ሓቢረን። ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚዲያታት ብመሰረት ዝተዘርግሑ ምስልታት እቶም ቀዳማይ ምንስቴር ምስ ዋና ዳይረክተር ሃገራዊ ኣግልግሎት ሓበሬታን ድሕነትን ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ ከምኡ እውን ምስ ናይ ኢትዮጵያ ሓይልታት ምክልኻል ጠቕላሊ ኢታማዦር ሹም ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ከምዝነበሩ ኣርእዮም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/government-of-ethiopia-said-it-is-the-government-who-decide-which-way-humanitarian-aids-is-delivered-to-tigray\/5993381.html"} {"headline":"'ሓይልታት ትግራይ' ንከተማ ላሊበላ ተቆጻጺሮማ ክብል ሮይተርስ ሓቢሩ","content":"ህወሓት “ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ” ዝብሎም ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ግን ተዋጋእቲ ኣካል’ቲ ኣሸባሪ ዝተሰምየ ውድብ ዝብሎም ሓይልታት ንከተማ ላሊበላ ተቖፃፂሮምዋ ክብል ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንኽልተ መሰኻኽር ዓይኒ ብምጥቃስ ፀብፂቡ።ሮይተርስ እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ተዛሪቦምዎ ዝበሎ ብነፃ ወገን ምርግጋፅ ከምዘይክኣለ ኣፍሊጡ ኣሎ። ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርንን ናይ ኢትዮጵያ ሓይልታት ምክልኻልን ከምኡ እውን ካብ ዝምልከቶ ናይ ክልል ትግራይ መንግስታዊ ግብረ ሓይሊ ነዚ ፀብፃብ መልሲ ከምዘይረኸበ እውን ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣቐዲሙ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ናይታ ከተማ ምክትል ከንቲባ ማንደፍሮ ታደሰ ዝርከቡሉ ቦታ ንድሕነቶም ዘስግእ ብምዃኑ ንግዚኡ ዝርዝር መብርሂ ካብ ምሃብ ከምዝዕቀቡ ብምግላፅ ነገር ግን ዕጡቓት ህወሓት ኢሎም ዝፀውዕዎም ገነተ ማሪያም ተባሂሉ ብዝፅዋዕ መእተዊ በሪ ናብ ከተማ ላሊበላ ምእታዎም ኣረጋጊፆም ኣለው። እቶም ዕጡቓት ነታ ከተማ ክቆፃፀሩ ከለው ዝኾነ ይኹን ውግእ ይኹን ቶኽሲ ከምዘይነበረ ንቢቢሲ ዝተዛረቡዎ ትኽክለኛ ናቶም ቃል ምዃኑ እውን ኣረጋጊፆምልና ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%8B%E1%88%8A%E1%89%A0%E1%88%8B-%E1%89%B0%E1%89%86%E1%8C%BB%E1%8C%BA%E1%88%AE%E1%88%9B-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%88%AE%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%88%B5-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5992345.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ ግዛቸው ሙሉነህ","content":"ህወሓት ኲናት ኣብ ዝኸፈተሎም ከባቢታት ሬሳ ፅዒኑ ይወስድ ዝነበረ ጀምላዊ ጭፍጨፋ ተፈፂሙኒ ኢሉ ንማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋር ምዃኑ ኣቀዲምና ንፈልጥ ነይርና ኢና ክብል መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ ። ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ መጠንቀቅታ 1 ብዝብል ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ህወሓት ጅምላዊ ጨፍጫፍ ተፈፂሙ ንዝብል ወፍሪ ይዳሎ ኣሎ ክብል ገሊፁ ነይሩ ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ \"ፍሉይ ሓይሊ ክልልና ካብ ወልቃይት ዝወፅእ ሬሳና ተሳጊሩ እዩ \" ክብሉ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ግዛቸው ሙሉነህ ምስ ሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕተት ተዛሪቦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A2-%E1%89%83%E1%88%8D-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%8C%8D%E1%8B%9B%E1%89%B8%E1%8B%8D-%E1%88%99%E1%88%89%E1%8A%90%E1%88%85\/5992324.html"} {"headline":"ኣመሓዳሪት ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ ምስ ሚኒስትር ሰላም ኢትዮጵያ ተራኺበን: ተዘራሪበን","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዘሎ ግጭት ተኣሳሲሩ ኣመሪካ ንዝኾነ ይኹን ኣካል ከምዘይትውግን ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣመሪካ(USIAD) ሳማንታ ፓወር ገሊፀን።ንሰን ትማሊ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየድኦ ናይ ሓደ መዓልቲ ዑደት ስዒቡ ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፅሓይ ንምግባር ኣብ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ደረጃ ከምዝበፅሐ ተዛሪበን። ፓወር ረድኤት ንዝተፀገሙ ወገናት ክባፃሕ መንግስቲ ምቹእ ኩነታት ክፈጥር ከምዘለዎ ኣተሓሳሲበን። ንምትዕንቓፍ ቀረብ ረድኤት ተሓታቲ ህወሓት እዩ ዝበላ ሚንስትር ሰላም ኢትዮጵያ ሙፈሪያት ካሚል : ህወሓት ካብ ተግባሩ እንተድኣ ተዓቂቡ መንግስቲ ንህዝቢ ትግራይ ንምድሓን ድልዊ እዩ ኢለን። ንሰን ሰብኣዊ ሓገዝ ብቐፃልነት ክባፃሕ እንተድኣ ተደሊዩ ህወሓት ተፃብኦታቱ ከቋርፅ ኣለዎ ኢለን ። ሳማንታ ፓወር ብወገነን ኣመሪካ ምስ ዝኾነ ከይወገነት ንሰብኣዊ መሰልን ዓለምለኸ ሕግታትን ንዝጥሕሱ ኣካላት ምሕታታ ከም እትቐፅል ተዛሪበን። እቲ ግጭት ኣብ ዝቐፀለሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንሰብኣዊነት ዘዋርዱን ግጭታት ዘጋድዱን ደው ክብሉ ከምዘለዎም ፓወር ኣተሓሳስበን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%B3%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%8B%A9-%E1%8A%A4%E1%88%B5-%E1%8A%A4-%E1%8A%A3%E1%8B%AD-%E1%8B%B2-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AD-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A0%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A0%E1%8A%95\/5992309.html"} {"headline":"ኣንፈት ጕዕዞ ሱዳንን ኢትዮጵያን ከም ዝተዛብዐን ሳማንታ ፖወር ይገልጻ","content":"ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዘካይዳ ዘለዋ ሓላፊት ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣመሪካ (USAID) ሳማንታ ፖወር፡ ኣብ ባይታ፡ ንትጽቢተን ዝጻረር ክውንነት ከም ዝጸንሐን ገሊጸን። እተን በዓልቲ-ስልጣን፡ “ሱዳን ኣብ ተኣፋፊ ግን ከኣ ተስፋ ዘለዎ ሓዲድ ደሞክራሲ” ክትርከብ እንከላ፡ ኢትዮጵያ ግን “ብሰግለለት ደርቂን ውግእ ሕድሕድን ትሕመስ” ከም ዘላ ተዛሪበን። ፖወር ወሲኸን፡ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰራሕተኛታት ትካላት ረዲኤት ኣመልኪቱ ዝወሃብ ዘሎ ጠቐነንን ምዕጋት ሓገዝን ኣዝዩ ሓደገኛ’ዩ ኢለን ኣለዋ። ሰብኣዊ ቅልውላው ኢትዮጵያ እናሓደረ ይብእስ'ዩ ዘሎ። ኣሽሓት ዜጋታት ሃዲሞም ኣብ ሱዳን ይዕቆቡ ኣለዉ። መንግስቲ ኣመሪካ፡ ብሕልፊ’ኳ ኣብቲ ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ብዂናት ዝሕመስ ዘሎ ክልል ትግራይ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ይሰርሕ ኣሎ። ሓላፊት ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣመሪካ (USAID) ሳማንታ ፖወር፡ ኣብዚ ንሱዳንን ኢትዮጵያን ዝዓመመ ናይ ሕጂ ዑደትን፡ ንግምተን ዝጋጮ ክውንነት ከም ዝጸንሐን’የን ዘመልክታ። እታ ቅድሚ 20 ዓመታት በጺሐንኣ ዝነበራ ሱዳን፡ ከምዚ ሕጂ ዝጸንሐተን ተስፋን ኣርኣያን ካልኦት ሃገራት ክትከውን ኣይገመታን። “ሳላ’ቲ ብቐንዱ ብመንእሰያትን ደቀንስትዮን ዝተቐለሰ ሰውራ፡ ሱዳን፡ ሕጂ ኣብ ኣዝዩ ኣተስፋዊ ደሞክራሲያዊ ጕዕዞ ኣላ። ኣብታ ንነዊሕ እዋን መሓዛ ኣመሪካ ዝዀነት ኢትዮጵያ ግን ብኣንጻሩ’ዩ። እታ ኣብነት ምዕባለ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ መልሕቕ ሰላምን ርግኣትን ኣከባቢ ዝነበረት ሃገር፡ ሕጂ ብቕልውላው ተሓሚሳ ኣላ። ብመንግስቲ ዝተወስደ ኣረሜናዊ ወፍሪ ኣንጻር ትግራይ፡ ንዂናት ሓድሕድ መጢጡ፡ ነቲ ክልል ናብ ደርቂን ዓጸቦን መሪሑዎ ኣሎ”ኢለን። ሳማንታ ፖወር ምስ ሰብ-መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምርኻበን ኣብ ዝገበረኦ ጋዜጣዊ መግለጺ’ውን ካብ ጋዜጠኛታት ዝቐረበለን ሕቶ መሊሰን ነይረን። ነቲ ዝኸይድ ዘሎ ኲናትን ሰብኣዊ ቅልውላን ንምዕራፍ፡ ኵላቶም ኣብቲ ኲናት ኢድ ዘለዎም ወገናት ቅጽበታዊ ምቍራጽ ተጻብኦታትን ናብ ናይ ቅድም ቦታኦም ክስሕቡን ዘዘኻኸራ ፖወር፡ ንትካላት ረዲኤት ዝወርዶም ዘሎ መጥቃዕቲ’ውን ተንኪፈን ነይረን። ንሰን ሰራሕተኛታት ረዲኤት ዕዮኦም ክፍጽሙ ዘይተገደበ መስመር ክኽፈተሎምን ኣንጻሮም ዝካየድ ዘሎ ጐስጓሳት ደው ክብልን ተላብየን። ኣስዒበን ንኣጠቓቕማ ቃላት ዝምልከት ብጋዜጠኛታት ንዝቐረበለን ሕቶ ኣብ ዝመለሳሉ፡ ብትግራይ ንምግላጽ ብቐዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተዘውተሩ ከምእኒ “መንሽሮን” “ጻህያይን” ዝብሉ ንሰብኣዊ ክብሪ ዝቕንጥጡ ቃላት፡ ንዓሌታዊ ምጽናት ዝጽውዑ ስለ ዝዀኑ ደው ክብሉ ኣተሓሳሲበን። ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ንጉዳያት ህጹጽ ኩነታት ማርቲን ግሪፍስ: ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትካላት ረዲኤት ዝገበር ዘሎ ስም ናይ ምጥፋእ ዘመተ ሓደገኛ ምዃኑ’ዮም ጠቒሶም። ሓላፊ ተሓላቒ መሰላት ትካል ኣምኒስቲ ኢንተርናሽናል ጨንፈር ኣመሪካ ዝዀነ ኣዶተይ ኣክዊ’ውን፡ ኣብቲ ጉዳይ ምስ ግሪፍስ ዝሰማምዕ መርገጺ ኣለዎም። ንሶም ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፤“ኣንጻር ሰብኣዊ ረዲኤት ዝህባ ትካላት ዝገበር ዘሎ ጐስጓሳት፡ ብዓንደ-ርእሱ ኣንጻር ኣህጉራዊ ውዕላት ኰይኑ፡ እቲ ስራሕ ንኸይፍጸም ዝኽልክል’ዩ። እቲ ካልእ ዝገደደ ሳዕቤናቱ ድማ ንትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ንመጥቃዕቲ ክፍተት ዝፈጥርን ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ምዃኑ’ዩ።” እቶም ሓላፊ ተሓላቒ ኣህጉራዊ ትካል ድማ ኣስዒቦም፡ ካልኦት ሃገራት ንኢትዮጵያ ዘንጸላሉዋ ዘሎ ሓደገኛ ኵነት ክገንዘባ ኣዘኻኺሮም። ምምሕዳር ባይደን ካብ ፈለማኡ ነቲ ኵነታት ብጽቡቕ ከም ዝተገንዘቦን ከም ዝሓዞን ዝገለጹ ኣክዊ፡ ካልኦት ኣባላት ባይቶ ጸጥታን መንግስታት ኣፍሪቃ’ውን፡ ሓደገኝነት እቲ ኲናት ተገንዚቦም፡ ብዓንተቦኡ ኢድ ክሕዉሱ ጸዊዖም። ቅልጡፍ ግትኣት እንተ ዘይተገይሩሉ፡ እቲ ቅልውላው ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከምእኒ ሱዳን፡ ጂቡቲ፡ ኤርትራን ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊ-ላንድን ክልሕም ምዃኑ ድማ ኣተሓሳሲቦም። ሕቡራት ሃገራት’ውን በቲ ሓገዝ ንክልል ትግራይ ንምብጻሕ ዘጓንፍ ዘሎ ክልከላን ምትዕንቓፍን መርረኡ ገሊጹ ነይሩ። እቲ ውድብ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኵነታት “መቕዘፍቲ” ክብል’ዩ ገሊጹዎ። ላዕለዋይ ትካል ጉዳያት ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (UNICEF) ኣስታት ሚእቲ-ሽሕ ዝበጽሑ ህጻናት ትግራይ፡ ኣብ ዝመጽእ 12 ኣዋርሕ፡ ንህይወት ዝፈታትን ጥሜት የንጸላሉዎም ከም ዘሎ ይገልጽ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%8D%88%E1%89%B5-%E1%8C%95%E1%8B%95%E1%8B%9E-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%89%A5%E1%8B%90%E1%8A%95-%E1%88%B3%E1%88%9B%E1%8A%95%E1%89%B3-%E1%8D%96%E1%8B%88%E1%88%AD-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%BB\/5992122.html"} {"headline":"ኣብ ኤርትራ ዝዕለሙ ዝነበሩ ወተሃደራት ሶማል ንዅነታቶም ኣመልኪቶም ምስክርነት ይህቡ ኣለዉ","content":"ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ስልጣና ዝቐስሙ ዘለዉ ሶማላውያን ነዊሕ ከዛርብ ጸኒሑ’ዩ። እዚ እናሃለወ ግን ቍጽሪ’ቶም ሃዲሞም ነቲ መዓስከራት ዝገደፉ ወተሃደራት ይበዝሕ ኣሎ። ሰለስተ ካብ ታዕሊም ዝሃደሙ ወተሃደራት ነበር ንኣገልግሎት ቋንቋ ሶማል ድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቦም ኣለዉ። እቶም ዝሃደሙ ወተሃደራት ከም ዝብሉዎ፡ ቍጽሪ ኣብ ኤርትራ ዝተዓለሙ ሶማላውያን 5,167’ዩ። ካልኦት ንጸጥታን ውትህድርናን እቲ ከባቢ ኣመልኪተን ዝሰርሓ ትካላት ግን እቲ ኣሃዝ ካብኡ ከም ዝዓቢ ይምጕታ። ነቶም ዝሃደሙ ወተሃደራት ሻቕሎት ዝፈጠረሎም፡ ታዕሊም ካብ ዝውድእ ኣዋርሕ ደኣ ይሕለፍ እምበር፡ ገና ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ምጽናሖም’ዩ። መሓመድ ፋርሕ፡ ሓደ ካብቶም ሃዲሞም ዝወጹ ወተሃደራት’ዩ። መሓመድ ፋርሕ ከምዚ ክብል ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቡ፤ “ብለይቲ፡ ብ9 ሰነ’የ ኣምሊጠ። ንሽዱሽተ መዓልታት ድሕሪ ምጕዓዝና፡ ኣብ ስፍራ ዓፋር፡ ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን በጺሕና።” ብመሰረት ሓበሬታ መሓመድ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ክጽበዩ እንከለዉ፡ ምስ ካልኦት ሃዲሞም ዝመጹ 11 ወታሃደራት ሶማል ተራኺቡ። ሳላ መገዲ ዘርእዩዎም ሰባት ዝረኸቡ ድማ ብእግሮም ተጓዒዞም መሬት ሶማል ክበጽሑ ከም ዝኸኣሉ ይዛረብ። ኵላቶም እቶም ኣምሊጦም ዝመጹ ወተሃደራት ዘማርሩሉ ጉዳይ ተመሳሳሊ’ዩ። ንሱ ድማ ሕማቕ መነባብሮ፡ ስእነት መግቢ፡ ቀረባት ጥዕናን ከምኡ’ውን ከቢድ ጉልበታዊ ስራሕን’ዩ። መርማሪ ኣካል ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኤርትራ ዝዕለሙ ዝነበሩ ወታሃደራት ሶማል ኣብ ኲናት ኢትዮጵያ ከም ዝተሳተፉ’ዩ ዘመልክት። እቶም ወተሃደራት ግን ብዛዕባኡ ኣፍልጦ ከም ዘይብሎም ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ፍሉይ መርማሪ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳያት ኤርትራ፡ መሓመድ ዓብደልሰላም ባቢክር፡ ወተሃደራት ሶማል ኣብ ኲናት ኢትዮጵያ ከም ዝተሳተፉ፡ ብሕልፊ እኳ ደኣ ኣብ ከባቢ ኣኽሱም ተራእዮም ምንባሮምን ጭቡጥ ሓበሬታ ከም ዝተቐብሉ ኣመልኪቶም ነይሮም። ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ’ውን ብዛዕባ ተሳትፎ ወታሃደራት ሶማል ኣብ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ብረድዮ ድምጺ ኣመሪካ ሕቶ ቀሪቡሎም ነይሩ። ወሃብ-ቃል እቲ ክፍሊ፡ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ሓበሬታ ከም ዘለዎምን ንጸብጻብ ፍሉይ መርማሪ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት ይፍትሹዎ ከም ዘለዉን ሓቢሮም። ወለዲ’ቶም ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ ወተሃደራት ሶማል ካብ ምሕታት ኣየዕረፉን። ክሳብ ሕጂ ዘዕግብ መልሲ ዝሃቦም ኣካል ግን የሎን። ንድሕነቱ ምሉእ ስሙ ክሕብር ዘይመረጽ ዓብዲኑር፡ ወዱ ናብ ኤርትራ ብጥቅምቲ 2019 ከም ዝተላእከ’ዩ ዝነግር። “ደጋጊምና ጠሪዕና፡ ተቓውሞና ዓው ኢልና ኣስሚዕና፡ ገለ ኣደታት ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ከይደን ስምዕታአን ኣስሚዐን። ኮታስ ኩሉ ዝከኣለና ጌርና ኢና። ሰለማዊ ሰልፊ ክንገብር ኣብ ዝወጻእናሉ ድማ መንግስቲ ነቶም ጋዜጠኛታት ከይንዛረቦም ከልኪሉ። ስለዚ ትም ክንብል ንግደድ ኣሎና። መንግስቲ ከኣ ፍጹም ኣይተዛረበን።” ንምዕዝምዛም ወለዲ’ቶም ንኤርትራ ዝተላእኩ ወታሃደራት እተጽንዕ ኮሚተ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፡ ብሰነ ኣቚሙ ነይሩ። እታ ኮሚተ ግን ክሳብ ሕጂ ውጽኢት ስራሓ ኣየካፈለትን። ክልተ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ግን፡ መንግስቲ ነቶም ወታሃደራት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ከግዕዞም መደብ ሒዙ ምህላዉ ገሊጾም። ብመሰረት ሓበሬታ’ቶም ሰበ-ስልጣናት እቶም ወተሃደራት ናብ ደቡባዊ ምዕራብን ጁባላንድ ዝተባህለ ቦታን’ዮም ክግዕዙ። ድምጺ ኣመሪካ፡ ንኣዛዚ ሓይልታት ሶማል፡ ሚኒስተር ምክልኽላ’ታ ሃገርን ሚኒስተር ዜና ኤርትራን ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይተዓወተን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%8B%95%E1%88%88%E1%88%99-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A9-%E1%8B%88%E1%89%B0%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%8A%95%E1%8B%85%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%AA%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%88%85%E1%89%A1-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%89\/5990877.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብ ተዋፊሮም ንዝበሎም ትካላትን ውልቀሰባትን ኣብ ቐይዲ ምእታው ገሊጹ","content":"ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ሽዱሽተ ትካላትን 11 ዘይሕጋዊ ናይ ገንዘብ ኣዘዋወርቲን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታው ኣፍሊጡ። ፌደራል ኮሚሽን ፖሊስ እቶም ትካላት ይኹኑ ውልቀሰባት ምስ ባንኪ ዝኾነ ይኹን ውዕል ከይሃለዎም ሕጋዊ መሲሎም ክሰርሑ ዝፀንሑ እዮም ኢሉ ኣሎ ። ናይቲ ኮሚሽን ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኣቶ ጄይላን ኣብዲ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል እቶም ውልቀሰባት ኮኑ ትካላት ይንቀሳቐሱ ዝነበሩ ጫት፣ናይ ኣትክልትን ፍረምረን ለኣኽቲ ኢና ብዝብል እዩ ኢሎም። እቶም ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣትዮምን እቶም ትካላት ድማ ተዓሺጎምን ምርመራ ይካየደሎም ከምዘሎን ኣቶ ጄላን ገሊፆም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%95%E1%8C%8B%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8B%8D%E1%8B%8B%E1%88%AD-%E1%8C%88%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%89%A5-%E1%89%B0%E1%8B%8B%E1%8D%8A%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%8D%E1%88%8D%E1%89%80%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%90%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5990858.html"} {"headline":"ኣብ መዝገብ ክሲ በዓል ዶ\/ር ደብረጽየን ካብዘለው 62ተጠርጠርቲ 19 ምክንያት መኽሰሲኦም ከምዝተዋህቦም ተገሊጹ","content":"ኣብ ክሲ መዝገብ ዶ\\ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሽሞም ሰፊሩ ዝርከቡ 62 ተጠርጠርቲ ነቶም 19 ምኽንያት መኽሰሲኦም ብፅሑፍ ከምዝተዋህቦም ተፈሊጡ። ዝርዝር እቲ ኽሲ ኣይተነበበን ። ቤት ፍርዲ ቆፀሮ ሂቡ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%B2-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%8C%BD%E1%8B%A8%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8D-62%E1%89%B0%E1%8C%A0%E1%88%AD%E1%8C%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-19-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%BD%E1%88%B0-%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%8B%E1%88%85%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5990845.html"} {"headline":"ሚ\/ጉ\/ወጻኢ ኣመሪካ ምስ ቀ\/ሚ ሱዳን ምዝርራቦም ተገሊጹ","content":"ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ሎሚ ረቡዕ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብዳላ ሓምዶክ ከምዝተዘራረቡ ወሃቢ ቃል እቲ ሚኒስትሪ ኔድ ፕራስ ገሊፆም። ወታሃደራዊ ረፅሚ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምስፍሕፍሕ ብዝምልከት ኣብ ክልል ትግራይ እናብኣሰ ይኸይድ ብዛዕባ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታትን ወታሃደራት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዳግም ይኣትው ኣለው ዝብሉን ኩሎም ኣብ ዞባዊ ምርግጋእ ተፅዕኖ ዘለዎም ናይ ሓባር ሻቐለቶም ተዘራሪቦም ኣለው። ኣንቶኒ ብሊንከንን ሃምዶክን ኩሎም ወገናት ናይ ኢትዮጵያ ሓድነት ንምሕላውን ረድኤት ናብ ዘድልዮም ሰባት ምሉእ ብምሉእ ሰብኣዊ ተበፃሕነት ክረጋገፅን ቶኽሲ ደውንምባል ናብ ልዝብ ክኣትው፣ሓቛፊ ፖለቲካዊ ልዝብ ከካይዱ ንምትብባዕ ተሰማሚዖም ኣለው። መግለፂ ወሃቢ ቃል ኔድ ፕራስ እቶም ሚኒስትር ወፃኢ ጉዳያት ወፃኢን ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣብ ሱዳን ዴሞክራሲ ንምስፋሕን ርክባት ኣመሪካን ሱዳንን ንምሕያልን ተዘራሪቦም ኣለው ይብል ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%88%9D%E1%89%A5-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%88%AB%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5990749.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምንቅስቃስ ኣብ ክልል ትግራይ ክሰርሑ ዝጸንሑ ሰለስተ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ምእጋዱ ኣፍሊጡ","content":"ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰለስተ ዓለምለኸ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ኢትዮጵያ ከይንቀሳቐሱ ምእጋዱ ኣፍሊጡ።ንሽዱሽተ መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ከካይዱ ዝቐነዩ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያትን ህፁፅ ረድኤትን ማርቲን ግሪፊንስ ንሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ብኣድላዊነት ምኽሳስ ሓደገኛ እዩ ኢሎም ኣለው። ትማሊ ጋዜጣዊ መግለፂ ዝሃቡ ማርቲን ግሪፊንስ ንህወሓት የዳልው እዮም ዝብል ክሲ ሓደገኛ እዩ ክብሉ ገሊፆም ኣለው። ዝተኣገዳ ትካላት ሓካይም ብዘይዶብ ሆላንድ፣ኖርወጃን ረፊጅ ካውንስልን ኣል ማክቱም ፋውንዴሽንን ዝተባህላ ናይ ወፃኢ ትካላት ምዃነን ተፈሊጡ ኣሎ። እተን ትካላት ካብ ዝተከሰሳሉ ተግባራት ናይ ሓሶት መረዳእታ ብማሕበራዊ ሚዲያን ካልኦት ሜላታትን ምዝርጋሕ፣ፍቓድ ዘይተወሃቦም ናይ ወፃኢ ዜጋታት ናብ ሃገር ብምእታው ንልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ቆፂሮም ምስራሕ፣ፍቓድ ዘይተውሃቦም ናይ ሬድዮ መራኸቢ ናብ ውሽጢ ሃገር ምእታውን ዝብሉ ይርከቡዎም። ብኻልእ ወገን ድማ ትማሊ 27 ሓምለ ሰብኣዊ ረድኤት ዝፀዓና 157 መካይን መቐለ ምእታወን ተፈሊጡ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%88%91-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%91-%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%B5%E1%89%83%E1%88%B3%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%8C%8B%E1%8B%B1-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5990740.html"} {"headline":"ኣመሪካ ንዘይተደረተ ሰብኣዊ ሓገዝ ንትግራይን ምንስሓብ ኵላቶም ሓይልታትን ትጽውዕ","content":"ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናይ ስራሕ ዑደት ዝገብራ ዘለዋ ሓላፊት ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ኣመሪካ (USAID) ሳማንታ ፖወር ሎሚ ምስ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ክራኸባ ትጽቢት ይግበር። ሳምንታ ፖወር፡ ነቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝጀመረ ኲናት ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ ደው ክብል ደጋጊመን ክጽውዓ ጸኒሐን’የን። ሎሚ ረቡዕ ምስ ሰብ-መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክራኸባ መደብ ተታሒዙለን ዘሎ ኣማሓዳሪት እቲ ኣህጉራዊ ትካል ምትሕግጋዝ ሳማንታ ፖወር፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክልል ትግራይ ከፍቅድ ይጽውዓ ኣለዋ። ብሰሉስ ምስ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ፡ ካብኲናት ክልል ትግራይ ዝሃደሙ ስደተኛታት ዝተራኸባ ፖወር፡ ድሕሪ ዑደተን ኣብ ዝሃበኦ ቃል፡ መርገጺ መንግስቲ ኣመሪካን ሕቡራት ሃገራትን ኣብቲ ግጭት ኣስመሪን ተዛሪበን። እተን በዓልቲ መዚ ድማ እቲ ኲናት ብዘይቅድመ ኵነት ደው ኢሉ ህዝቢ ናብ ሰላማዊ መነባብሮኡ ዝምለሰሉ መገዲ ክድለ ተላብየን ነይረን። ሳማንታ ፖወር፡ ብሰሉስ ብመገዲ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሕኦ ጽሑፍ “መርገጺ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኵላቶም ኣብቲ ኲናት ኢድ ዘለዎም ሓይልታት፡ ተጻብኦታት ኣቋሪጾም ኣብዚ መዓስከር ስደተኛታት ዘሎ ህዝቢ ድማ ናብ ቤቱ ዝምለሰሉ መገዲ ምንዳይ’ዩ። ብሰንኪ’ዚ ኲናት ክንደይ ኣሰቃቒ ግፍዒ ወሪዱ፡ ህይወት ሚልዮናት ድማ ተመዛቢሉ። ብቕጽበት ደው ክብል ኣለዎ፡” ኢለን ነይረን ። ኣብ ተመሳሳሊ ናይ ትዊተር መልእኽቲ እተን በዓልቲ ስልጣን፡ እቲ ግጭት ክዓርፍ እንተዀይኑ “ሓይልታት ህወሓት ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ክወጹ፣ ሓይልታት ኣምሓራ ካብ ክልል ትግራይ ክስሕቡ፣ ሰራዊት ኤርትራ ድማ ንእለቱ ንኢትዮጵያ ጠቕሊሎም ክገድፉ፡” ዝብል’ዩ። ብተመሳሳሊ ዜና፡ ወሃብ-ቃል ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ነድ ፕራይስ ብሰሉስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ፡ “ኵላቶም ሓይልታት፡ ኣብቲ ብዂናት ተጸልዩ ዘሎ ከባቢ፡ ንዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ከፍቅዱን ኣብ መገዲ ክልል ትግራይ ዘሎ ዕግታ ክእለን” ኣዘኻኺሮም። ኣመሪካ፡ ንሰብኣዊ ሓገዝ ክልል ትግራይ ዝውዕል፡ ናይ 149 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከም እትህብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጣ ነይራ። መግለጺ መንግስቲ ኣመሪካ ሓገዝ ኣብ እዋኑ ንኸይበጽሕ ዝዕንቅፍ ዘሎ ምትሕልላኽ ቢሮክራሲ ክእለን ንሓገዝ ዝጸዓና መካይን ዝዓለመ መጥቃዕታት ደው ክብልን’ውን ወሲኹ የዘኻኽር ። ኣወሃሃዲ ህጹጽ ኵነታት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፍዝ፡ ብሰሉስ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ንጋዜጠኛታት ከም ዝነገሩዎ፡ 122 ናይ ጽዕነት መካይን ንክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ድሉዋት ኣለዋ። ነቲ ዘሎ ጋግ ንምምላእ ኣብ መዓልቲ 100 ናይ ጽዕነት መካይን ናይ መግቢ ሓገዝ ከም ዘድሊ ግን ኣወሃሃድቲ ረዲኤት ይዛረቡ። እቶም ኣወሃሃዲ ነቲ ኵናት ኣመልኪቶም ግሪፍዝ፤ “ፍጥነት ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ኣዝዩ ዝሑል’ዩ ዘሎ፣ ነዚ ከኣ ክንልውጦ ኣሎና። ዘይተደረተ መስመር መጓዓዝያ ምድሪ ክፍቀድ፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብነፈርቲና ንመቐለ ሓገዝ ከነብጽሕ ክድቀደልና ኣለዎ። ቃል-ዓለም ዘይብሉ ቀንዲን መሰረታዊ ነገርን ግን እቲ ኲናት--ብቐንዱ ድማ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት--ደው ክብል ኣለዎ፡” ኢሎም ። ኣብቲ ኲናት ኢድ ዘለዎም በበይኖም ሓይልታት ንምዕጋትን ምትዕንቓፍን ሰብኣዊ ሓገዝ ኣመልኪቶም ኢድ ከወጣውጡ ጸኒሖም’ዮም። ፈደራላዊ መንግስቲ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝዓገተ ብወገን ትግራይ ዘሎ ሓይሊ’ዩ ክብል ከሎ፡ ንሳቶም ድማ እቲ ጸገም መንግስቲ ምዃኑ ይምጕቱ። ኣብ ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ዝሰርሕ ላዕለዋይ በዓል-መዚ ዝሓለፈ ሰሙን ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሰትድ ፕረስ ከም ዝተዛረቦ፡ እቲ መሰረታዊ ዕንቅፋት ፈደራላዊ መንግስቲ’ዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንትካል ግብረሰናይ ሓካይም ዶባ-ኣልቦን ኖርወጃዊ ትካል ስደተኛታትን ንገለ ክፋሉ ወይ ብምሉኡ ስራሓቶም ደው ከብሉ ብሰሉስ ኣፍሊጡዎም ኣሎ። ብመሰረት ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሰትድ ፕረስእቶም ትካላት ኣብ ትግራይ ዝገብሩዎ ሓገዝ ከቋርጹዎ’ዮም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%8B%B0%E1%88%A8%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%95%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%88%93%E1%89%A5-%E1%8A%B5%E1%88%8B%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%89%B5%E1%8C%BD%E1%8B%8D%E1%8B%95\/5990650.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ:ኣተሓባባሪ ህጹጽ ጉዳያት ሕ\/ሃ ምስ ሓለፍቲ ዝተፈላለዩ ትካላትን ጽፍሕታትን ተራኺቦም:ተዘራሪቦም","content":"ኣተሓባባሪ ህጹጽ ኩነታት ሕቡራት ሃገራት፣ ማርቲን ግሪፍዝ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጀመርዎ መገሻ ይቅጽል ከምዘሎ ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ዩሪክ ገሊጹ። ሚስተር ግሪፍን ትማሊ ምስ ሚኒስትር ሰላም’ታ ሃገር ወ\/ሮ ሙፈርያት ከሚል፣ ብዛዕባ ሰብኣዊ ኩነታት ምስ ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ኣቶ ኣገኘሁ ተሻገር ተዘራሪቦም። ምስ ኮምሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ክፍሊ ጥዕና፣ ክፍሊ ሰብኣዊን ማሕበራዊ ጉዳያት ኣሚራ ኣል ፈድል ከምኡውን ምስ ወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ተራኺቦም። ኣብ ክልል ትግራይ’ውን ዝኣተው ሚስተር ግሪፍን፣ ኣብ ሓውዜን ንማእከላት ጥዕናን ትምህርቲን ተዓዚቦም፣ ምስ ደቂ ኣንስትዮ፣ ደቂ ተባዕትዮን ሰበ ስልጣን’ቲ ከባቢን ተዘራሪቦም። ኣብ ከተማ ፍረወይኒ ንዝርከብ ማእከል ውሽጣዊ ተመዛበልቲ በጺሖም ካብ ግዳያት፣ መራሕቲ ኮሚኒቲን ሰብኣዊ ትካላትን ርእይቶታት ተቀቢሎም። እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ሰብኣዊ ኩነታት ኣብ ክልል ዓፋር ብሰንኪ’ቲ ካብ ክልል ትግራይ ዝላሓኸ ግጭት የንቆልቁል ከምዘሎ እቲ ወሃቢ ቃል ገሊጹ። ብመሰረት ከባቢያዊ ሰበ ስልጣን ኣስታት 70 ሽሕ ሰባት ተፈናቂሎም አለው። ብሰንኪ ግጭት ኣብ ሞንጎ ዓፋርን ሶማሌን 35 ሽሕ ሰባት ተፈናቀልቲ ከምዘለው ተፈሊጡ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A3%E1%89%A3%E1%88%AA-%E1%88%85%E1%8C%B9%E1%8C%BD-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%93%E1%88%88%E1%8D%8D%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8C%BD%E1%8D%8D%E1%88%95%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/5989447.html"} {"headline":"መግለጺ ፕረ.ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ","content":"\"ሓላፊት ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ ሳማንታ ፓወርን ኣተሓባባሪ ህጹጽ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፍዝን፣ ናብ’ቲ ብኣማኢት ኣሻሓት ሰለማዊያን ሰባት ኣብ እዋን ግጭት ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልዎም ዘሎ ክልል ትግራይ ምብጽሖም ኣዝዮም ከምዝድግፉ\" ፕረዚደንት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኤሪክ ሽዋዝ ገሊጾም። ሚስተር ሽዋዝ \"ክልቲኦም ሰበ ስልጣን፣ ኩሎም ወገናት፣ ብመሰረት ዓለምለኸ ሕጊ፣ ንሰላማዊያን ሰባት ክሕልው፣ ሰብኣዊ ቀረባት ብዘይዕንቅፋት ናብ ተጸባዪ ህዝቢ ንክሓልፍ ግዴታ ከምዘለዎም ንከዘኻኽሩ ዕድል ክፈጥረሎም እዩ፣ ግን ጊዜ የምልጠና አሎ እዩ ዘሎ\" ኢሎም። 900 ሽሕ ተወላዶ ትግራይ ዛጊት ኣብ ጥቃ ጥምየት ወዲቆም ከምዝርከቡ፣ 2.4 ሚልዮን ድማ ህጹጽ ሓገዝ እንተዘይበጺሕሎም ኣብ ሓደጋ ክወድቁ ከምዝኽእሉ ተሓቢሩ'ሎ። ኩሎም ተዋጋእቲ ሓይልታት፣ ንወትሃደራዊ ወፍሪ ደው ከብሉ፣ ዘይተደረተን ሙሉእን ሰብኣዊ ሓገዛት ንክሓልፍ ከኽእሉን፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣንጸላልዩ ንዘሎ ከቢድ ጥምየት ከውግዱን’ውን መጸዋዕታ ቀሪቡ አሎ። ነቲ ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ጥምየት ንምኹላፍ ሰሙናዊ ኣስታት 600 ናይ ጽዕነት መካይን ናብ ክልል ትግራይ ክኣትዋ ኣለወን ዝብል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብወገኑ፣ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ወርሒ ግና ናብቲ ክልል ንክኣትዋ ዝተፈቀደለን 50 መካይን ጥራሕ ከምዝኾና ይጠቅስ። መግለጺ ረፍዩጂ ኢንተርናሽናል \"ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ነዚ ኩነታት’ዚ፣ምስ መጸዊዕኡ ብዝቃዶ ኣገባብ፣ ማዕረ ዓለምለኸ ስግኣት ሰላምን ጸጥታን ገይሩ ክዘራረበሉ’ ጸዊዑ ኣሎ። እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት፣ ቅልጡፍ ደገፍን ትኹረትን ዝጠልቡ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ከምዝተፈጠሩ ኣብ ዩኒቨርስቲ ወልድያ ዘምህሩ ኣቶ ደጀን የማነ ገሊጾም። እቶም ተንታኒ ዓለምለኻዊ ትካላት ረድኤት ኢና ዝብሉ ትካላት ግን ማዕረ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝሃብዎ ቆላሕታ ንካልኦት ኢትዮጵያዊያን ኣይሃቡን ይብሉ ። ኣቶ ደጀን የማነ \"ዝተዛበዐ ሚዛን ትካላት ረድኤት፣ ንኢትዮጵያን ኢትዮጵያዊያንን ንዘጋጠሞም ጸገም ዘቃልል ዘይኮነ ዘጋድድ እዩ\" ኢሎም። ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳን ኣባል ማእከላይ ኮማንድ ፖስት ትግራይ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ብወገኖም ምስ ናይ ወጻኢ ሚድያ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ \"ፍትሓዊ፣ ተፈሮኣዊ ወሰና ንክነምልስን፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክሓልፍ መታን ተጽዕኖ ንምፍጣር ዝዓለመ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ከምዝተፈነወ\" ጠቂሶም እዮም። ኣብ’ዚ ቀረባ ብሰንኪ ዝደገሶ ሓድሽ ውግእ፣ ካብ ራያ ቆቦ፣ ሰቆጣ፣ ኣበርገለ፣ ዓፋር ፈንቲ ረሱ፣ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝግመቱ ሰባት ተፈናቂሎም ተጸበይቲ መግቢ ኮይኖም ከምዘለው ይግለጽ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8A%E1%89%B5-%E1%8B%A9-%E1%8A%A4%E1%88%B5-%E1%8A%A4-%E1%8A%A3%E1%8B%AD-%E1%8B%B2%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A3%E1%89%A3%E1%88%AA-%E1%88%85%E1%8C%B9%E1%8C%BD-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83\/5989423.html"} {"headline":"''ኣብ መወዳእታ ብወታሃደራዊ ዘይኮነስ ብፖለቲካዊ እዩ ክፍታሕ'' ክኢላ","content":"ተዓዋቲ ሽልማትPulitzer Prize ናይ ዝኾነ መፅሓፍ ምፅናት ዓሌት ደራሲት ዝኾና ብዓልቲ ስልጣን ዩናይትድ ስቴትስ መንግስቲ ኣሜሪካ ናብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ከይኣቲ ዝተገብረ ክልከላ ኢሉ ዝፀውዖ ንምኽፋት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተፅዕኖ ንምዕራፍ ኣብ ኢትዮጵያ ይርከባ።ኣማሓዳሪት ልምዓት ተራድኦ ኣሜሪካ(USAID) ዝኾና ሳማንታ ፓወር‘’ኣብ ትግራይ ዝኾነ ይኹን ጥምየት የለን’’ ክብሉ ኣስሚሮም ምስ ዝዛረቡ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ክራኸባ ተስፋ ኣለወን። ወኪል ቪኦኤ ቺነዱ ኦፎር ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝመደብሩ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ናይ ሰላም ኢንስቲትዩት ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣሊ ቨርጂ ኣብ ድሮ ዑደት ሳማንታ ፓወር ትማሊ ሶኑ ኣዘራሪቡዎም ኣሎ። ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ረድኤት ናብ ትግራይ ከይኣቲ ዝኸልከሉ ንመብዛሕቲኡ ክልል ትግራይ ደጊሞም ዝተቖፃፀሩ ሓይልታት ትግራይ እዮም ክብሉ ይኸሱ።ሰበስልጣን USAID ግን ምእቲ ብምእቲ ከምኡ ኣይኮነን ይብሉ።እቲ ኲናት ኣብቲ ክልል ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘጋድድ ካልኣይ ግንባር ከፊቱ ኣሎ ክብሉ ተንተንቲስግኣቶም ይገልፁ ኣለው። ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኢኒስቲቱዩት ሰላም ዩናይትድ ስቴትስ ኣሊ ቨርጂ እቲ ኲናት ክልተ ግንባራት ፈጢሩ ኣሎ ይብሉ። ‘’እቲ ኲናት ናይ ክልተ ግንባራት ኵናት ኮይኑ ኣሎ’’ ዝበሉ ንሶም‘’ብምዕራብን ደቡብን ኣብ ዶብ ክልል ኣምሓራን ክልል ትግራይን ናብ ሱዳን ዘምርሕ ኮይኑ ኣሎ።ብኣንፈት ምብራቕ ትግራይ ናብ ክልል ዓፋርን ጅቡቲን እውን ሓዱሽ ምዕባለ እዩ።ኣብ ክልል ዓፋር ውግእ ይካየድ ኣሎ።እዚ ሓዱሽ መልክዕ ናይቲ ኲናት እዩ’’ኢሎም። ‘’እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ሓይልታት ምክልኻል ትግራትን ሓዱሽ ወታደራዊ ዕላማታት ስለዘለው እዩ’’ይብሉ ቨርጂ።ብናይ ኣምሓራ መንግስትን ካልኦት ክልላዊ መንግስታትን ዝተደገፉ ሓይልታት መንግስቲ ፌደራልን ነዚ ግብረ መልሲ ይህቡ ኣለው ንግዚኡ ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ኣይኮነን ዘሎ ግን ብርግፀኝነት ምዝራብ ዝክኣል ይጋፋሕ እዩ ዘሎ ይብሉ።ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ናይ ምስፍሕፋሕ ተኽእሎ እንተሃሊዩዎ ዝተሓተቱ ቨርጂ እቲ ተኽእሎ ኩልሻዕ ኣሎ ይብሉ። ‘’እቲ ኲናት ናብ ምዕራብ ገፁ ብዝተጋፍሐ ቁፅሪ ንሱዳን ሓዊሱ ብወገን ምዕራብ ንዘለዋ ጎረባብቲ ብዝበለፀ የሻቕለን እዩ።ብወገን ምብራቕ ዝተፈለየ እዩ ምኽኒያቱ ድማ ጅቡቲን ሶማሌን ኣብኡ ክሳተፉ ዘኽእለን ኣገዳሲ ሓይልታት የብለንን።ግን ብርግፀኝነት ዞባዊ ተሳትፎ ናይ ምሕዋስ ተኽእሎ ኣብ ቦትኡ ኣሎ’’ኢሎም። ኣብ ባይታ ብዛዕባ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ዝተሓተቱ ኣሊ ቨርጂ ንስደተኛታት ጥራሕ ከይኮነስ ኣብ ትግራይ መብዛሕቲኦም ተመዛቢሎም ንዘለው ብዙሓት ሰባት እቲ ኩነታት እናኸፍአ ይኸይድ ኣሎ ይብሉ።ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ናብቲ ክልል እኹል ምግቢ ንምእታዊ ከምዝተፀገመ ምግላፁ ዝሓበሩ ንሶም ኣብዚ ዝተመስረቱ ሚሊዮናት ኩነታትቶም እናኸፍአ ይኸይድ ኣሎ ኢሎም።‘’ክልቲኦም ወገናት ኣብ ወታደራዊ ወፍሮም ኣዚዮም ግልፂ እዮም።ካብ ግጭት ንምዕቃብን እቲ ግጭት ከብቅዕ ካብ ምድላይን ኣዚዩ ዘሻቕል ምልክት እዩ እዚ’’ኢሎም።ኣብ መወዳእትኡ ግን እቲ ምፍትሒ ወታደራዊ ከይኮነስ ፖለቲካዊ እዩ ክኸውን ኢሎም ብምውሳኽ። ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ናይ ዝመደብሩ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ናይ ሰላም ኢንስቲትዩት ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣሊ ቨርጂ ክልቶም ወገናት ኣብ ዘተ ንምፅማድ ድልየት እንተርእዮም ፖለቲካዊ ፍታሕ ምምፃእ ይክኣል እዩ ይብሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/the-war-in-tigray-open-new-fronts-said-an-expert-of-us-institute-of-peace\/5989372.html"} {"headline":"ኣስታት 90% ካብ ህዝቢ ትግራይ ተጸባዪ ሓገዝ ኰይኑ ምህላዉ ሕ\/ሃገራት ይገልጽ","content":"ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብቲ ንትሽዓት ኣዋርሕ ኲናት ዝተኻየድሉ ክልል ትግራይ ኣመልኪቱ፡ ኣጠቓላሊ ገምጋም ኣውጽኡ ኣሎ። ኣብቲ ብዂናት ዝተሓመሰ ከባቢን ብሳዕቤን’ቲ ደማዊ ኲናት ዝማህመነን ሕብረተሰብ ድማ ኣስታት 90% ተጸበይቲ ሓገዝ ኰይኖም ኣለዉ ይብል። ወታሃደራት ኢትዮጵያ ነታ ክልል ካብ ሓይልታት ደባይ ተዋጋእቲ ንምምንዛዕ ብ4 ሕዳር,2020 ኣብ ክልል ትግራይ ድሕሪ ዝጀመረ ኲናት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ሞይቶም፡ ክልተ ሚልዮን ዝበጽሑ ድማ ካብ መንበሪታቶም ተፈናቒሎም ኣለዉ። ኣብቲ ክልል: ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ህዝቢ ብጥሜት ይሳቐዩ ምህላዎም ዝገለጸ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ 400-ሽሕ ካብዚኣቶም ኣብ ኣፈፌት ዓጸቦ ከም ዘለዉ የመልክት። ብሰንኪ ስእነት ማእዛታት መግቢ፡ ኣሽሓት ህጻናት ንዝኸፍአ ሓደጋ ተቓሊዖም ኣለዉ። ብመሰረት ወሃብ ቃል ምውህሃሃድ ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ)፡ ጀንስ ላርኪ 5.2 ሚልዮን ህዝቢ ማለት ኣስታት 90% ናይ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ’ቲ ክልል--ናብ ተጸባዪ ሓገዝ ወሪዱ ኣሎ። “ነቲ ብፍጥነት ዘንቈልቍል ዘሎ ሰብኣዊ ሕሰም ንምግታእ ምስ ዘሎ ዉሱን ግዜ ድጋፍ መግቢ ንምግባር ኣጸጋሚ’ዩ። መግቢ ዝጸዓና መካይን መዓልታዊ ናብ መቐለ ክኣትዋ ኣለወን። ኣወሃሃድቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ህዝቢ ክልል ትግራይ ንዘድልዮ ንምምላእ ብውሑዱ 500 ጽዕነት ዓበይቲ መካይን ሙሉእ ቀረባት ብብሰሙን ከም ዘድሊ ገምጊሞም። እዚ ግን ክገበር ኣይተኻእለን።” ካብ ምዝዛም ወርሒ ሰነ ንደሓር፡ ክሳብ ሕጂ፡ ሓገዝ መግቢ ጽዒነን ናብ ክልል ትግራይ ዝበጽሓ መካይን 50 ጥራይ ምዃኑን ላርኪ የመልክት። ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ንጉዳያት ህጹጽ ኩነታት ማርቲን ግሪፍስ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሽዱሽተ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይገብር ኣሎ። ግሪፍስ፡ ኵነታት ንምግምጋም ናብ ክልል ትግራይ ክበጽሕ ትጽቢት ይግበር። ንግሪፍስ ዝበደመ ቅርጺን ብዂናት ዝጃጀውን ህዝቢ ክቕበሎ ምዃኑ ድማ ተዓዘብቲ ይግምቱ። ኲናት ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ሲቪላዊ ህዝቢ ትግራይ፡ ብሰንሰለታዊ ግፍዒ በበይኖም ሓይልታት ክደሃኽ ከም ዝጸንሐ ላርኪ ይዛረብ። “ኲናት ካብ ዝጅመር ንደሓር ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ክፍጸም ጸኒሑ’ዩ። ካብ መንጎ’ቲ ዝተኻየደ በደል፡ ንጾታዊ ዓመጽ ከም መወጋኢ ምርኣይ’ዩ። ኣስታት 1,600 ዝበጽሑ ጾታዊ ዓመጻት ምስ መጥቃዕታትን ተመዝጊቦም ኣለዉ። መደባራት ጥዕና ደይ-መደይ ኢልካ ተጠቒዖምን ተዘሚቶምን። ካብተን ዝነበራ ኣስታት 40 መደበራት ጥዕና ትግራይ፡ ሕጂ 16 ጥራይ’ተን ዝሰርሓ ዘለዋ። ጾታዊ ዓመጽ ዘጋጠመን ኣደታትን ጎራዙትን ዝዕቆባሉ ወይ ሓገዝ ዝረኽባሉ ማእከል ጥዕና የብለንን።” ላርኪ ኣስዒቡ ድማ ሕቡራት ሃገራት ካልኦት ውልቃውያን ትካላትን ኣብቲ ኣመና ዘይምቹእን ሓደገኛን ከባቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ይሕብር። ክሳብ ሕጂ 12 ሰራሕተኛታት ረዲኤት ተቐቲሎም ምህላዎም ድማ የመልክት። ኣብ መንጎኦም እቶም ብኣዝዩ ኣስካሕካሕኪ ኣገባብ፡ ብ24 ሰነ ዝተቐትሉ፡ ሰለስተ ሰራሕተኛታት ወለንታዊ ማሕበር ዶብ ኣልቦ ሓካይም’ዮም። ወሃብ ቃል ምውህሃሃድ ሰብኣዊ ሓገዛት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ገንዘብ’ውን እቲ ካልእ ፀገም ምዃኑ የመልክት። ቤት ጽሕፈቶም ነቲ ናይ ህይወት-ኣድሕን ስራሕ ብግቡእ ክዓሞ እንተዀይኑ ክሳብ መወዳእታ’ዚ ዓመት’ዚ 430-ሚልዮን ኣመሪካ የድልዮ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-90-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%8C%B8%E1%89%A3%E1%8B%AA-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%B0%E1%8B%AD%E1%8A%91-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%89-%E1%88%95-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%BD\/5989155.html"} {"headline":"ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝርከብ ሩባ ተከዘ  ሬሳታት ምርካቡ ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፡ ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ዝግመት፡ ኣስታት 50 ዝበጽሑ ሬሳታት፡ ብፈለግ ኣንሳፊፎም ኣብ መሬት ሱዳን ተረኺቦም። ነቲ ሓበሬታ ዝሃቡ ሰበ-ስልጣን ሱዳን፡ እቶም ሬሳታት ካብቲ ብዂናት ክልል ትግራይ ኣዝዩ ተጸልዩ ዘሎ ከባቢ ፈለግ ተከዘ ዝኽተሎ መስመር ወሓይዝ ምዃኑ ይግለጹ። ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሓምዳይት ዝነጥፉ ዘለዉ ክልተ ኢትዮጵያውያን ሰብ-ሞያ ጥዕና’ውን ነቲ ዝተባህለ ግምታት ኣረጋጊጾሞ ኣለዉ። ስሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተ በዓል-ስልጣን ሱዳን፡ ንኣቀተታላ እቶም ብውሕጅ ተወሲዶም ዝመጹ ሬሳታት ንምንጻር ደቂቕ መርመራ ኣካላት ከም ዘድሊ ይገልጽ። ካብ ሑመራ ሃዲሙ፡ ሕጂ ኣብ ሱዳን መዓስከር ሓምዳይት ዝነጥፍ ዘሎ ዶክተር ቴድሮስ ተፈራ፡ ብዛዕባ’ቶም ብቐረባ ዝረኣዮም ክልተ ሬሳታት ንኣሶሸትድ ፕረስ ቃል ሂቡ ነይሩ። ሓደ ካብቶም ሬሳታት ኢዱ ዝተኣስረ ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ካልእ ሰበይቲ ሬሳ’ውን ኣፍልባ ብገመድ ተጠምጢሙ ምንባሩ ይጠቅስ። ኣብ ጥቓኡ ዝርከቡ ስደተኛታት 10 ሬሳታት ከም ዝቐበሩ ድማ ወሲኹ ይሕብር። ዶክተር ቴድሮስ ኣብቲ ወሓይዝ ዘንሳፍፉ ናይ ዝነበሩ ሬሳታት ቪድዮ ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ኣካፊሉ ነይሩ። እቶም ሬሳታት ካብ ከባቢ ሑመራ ኣንሳፊፎም ከም ዝመጹ ዶክተር ቴድሮስ የመልክት። ከባቢ ሑመራ ብሓይልታት ኣምሓራን ትግራይን ኣከራኻሪ ቦታ ኰይኑ፡ ካብቶም ግጭት ዝጀመሩሎም ቀዳሞት ስፍራ’ዩ። ብሓገዝ’ቶም ሬሳታት ቀዲሞም ዝረኣዩ ገፈፍቲ ዓሳ፡ ነቶም ዘንሳፍፉ ዘለዉ ሬሳታት ኣብ ምእካብ ከም ዘለዉን ዝያዳ’ቶም ተረኺቦም ዘለዉ ክዀኑ ከም ዝኽእሉን’ውን እቲ ዶክተር የመልክት። መንነት ናይቶም ሬሳታት ምፍላይ ኣጸጋሚ እኳ እንተዀነ፡ ሓደ ካብኣቶም ግን ተወላዳይ ትግራይ ምዃኑ ዘመልክት ናይ ትግርኛ ውቃጦ ጸኒሑዎ። ስሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተ፡ ኣብ መደበር-ጥዕና መዓስከር ሓምዳይት ዝነጠፍ ካልእ ኢትዮጵያዊ ዶክተር’ውን፡ በቲ ኣብ ገጽ ገለ ካብቶም ሬሳታት ዘሎ ውቃጦ ካብ ትግራይ ምዃኖም ምፍልጥ ከም ዝከኣል ይሕብር። “ባርባራዊ ግፍዒ ይፍጸም ኣሎ፡” ዝበለ እቲ ስሙ ከይግለጸሉ ዝሓተተ ዶክተር፡ ገለ ካብቶም ሬሳታት ብፋስ ተጨፍጪፎም ከም ዝተቐትሉ ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሩ። ምስ ቅልጣፈ ዋሕዚ ንዅላቶም ዝመጹ ዝነበሩ ሬሳታት ክትርፉዎም ከም ዘይከኣሉ’ውን ገለ ካብቶም ኣብቲ ስራሕ ዝነጥፉ ዘለዉ ስደተኛታት ነቲ በዓል-ሞያ ጥዕና ኣካፊሎም። ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝውነን ናይ ትዊተር ገጽ ንርኽበታት ሬሳታት ዝምልከት ጸብጻብ፡ ብሓይልታት ትግራይ ዝጋዋሕ “ውጹእ ሓሶት” ክብል ነጺጉዎ። ኣማሓዳሪት ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ኣመሪካ (USAID) ሳማንታ ፖወር፡ ብሰኑይ፡ ኣብ ሱዳን ዝርከብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ በጺሓ ነይራ። ዝቕጽል ጕዕዞ ሳማንታ ፖወር ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምዝርራብ፣ ብቐንዱ ድማ ነቲ ኣስታት 6 ሚልዮን ህዝቢ ሒዙ ዘሎ ክልል ትግራይ ኣፍደገ ብዛዕባ ዝኽፈተሉ መገዲ ንምዝታይ’ዩ። ዝኸፍአ ሓደጋ ደርቂ ዘንጸላሉዎ ዘሎ ክልል ትግራይ፡ ብመሰረት ሓበሬታ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኣስታት 900-ሽሕ ዜጋታት ንሓደጋ ጥሜት ተቓሊዖም ኣለዉ። ብወገን ትካል ሓገዝ ኣመሪካ ተወጢኑ ዘሎ መደብ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሎ ዝምድናታት ሻሕኪሩ ደኣ ይሃሉ’ምበር፡ መስመር መጓዓዚ ሓገዝ ብሱዳን ኣቢልካ ንምእታው’ዩ፡ ። ናብ ክልል ትግራይ ንምብጻሕ ቀሊል ኣይኰነን ዘሎ። ድሕሪ ነዊሕ ዝርርብ፡ ዓለማዊ ፕሮግራም መግቢ፡ 50-ሽሕ ቶን ስርናይ፡ ብመገዲ ሱዳን ንኢትዮጵያ የእትዩ ከም ዘሎ ተፈሊጡ። እዚ ምሉእ ትርጉም ብኣሶሴይትድ ፕረስ ዝቐረበ ሪፖርት'ዩ::​","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%B6%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5-%E1%88%A9%E1%89%A3-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-40-%E1%88%AC%E1%88%B3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%AB%E1%89%A1-%E1%8A%A3%E1%88%B6%E1%88%B4%E1%8B%AD%E1%89%B5%E1%8B%B5-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5988181.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ: ኣብ ኢትዮጵያ ብዝርአ ዘሎ ሰፊሕ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ሻቕሎቱ ይገልጽ","content":"ኣብ ሕቡራት ሃገራት ንምክልኻል ግህሰትን ዓሌታዊ ምጽናትን ኣመልኪቱ ዝሰርሕ ኣሃዱ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝርአ ዘሎ ሰፊሕ ግህሰታት ስክፍታኡ ገሊጹ። እቲ ኣሃዱ ብዓርቢ 30 ሓምለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዓሌታዊ ጽልኢ ቅልጡፍ መግትኢ እንተዘይተገይሩሉ ካልእ ሳዕቤን ከህሉዎ ከም ዝኽእል የጠንቅቕ ኣሎ። ኣብ ሕቡራት ሃገራት ፍልይቲ ኣማኻሪት ኣብ ጉዳያት ምክልኻል ህልቂት ዝዀና ኣሊስ ዋይሪሙ ንድሪቱ፡ ኣብ ኢትዮጵያ እናንቆልቆለ ብዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ከምዘሻቐለን ገሊጸን። እተን ፍልይቲ ኣማኻሪት ኣብ ዘውጽአኦ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ዓፋር፡ ሶማሌ፡ ኦሮሚያን ኣምሓራን ዝፍጸም ዘሎ ከበድቲ ምግሃሳት ዓለምለኸ ሕግታት ሰብኣዊ ረድኤትንን ሰብኣዊ መሰላትን ናይ መጠንቐቕታ ድምፀን ኣስሚዔን’ለዋ። እተን ፍልይቲ ኣማኻሪት ነተ ኣብ ዝሓለፈ 5 ለካቲት ብዛዕባ’ታ ሃገር ዘውፅእኦ መግለፂ ደግመንኦ’ለዋ። ኲናት ኣብ ትግራይ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ እቲ ኣሃዱ፡ ንጾታዊ ዓመጽ፡ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ ትሕቲ-ዕድመ ዕስክርና፡ ዓሌታዊ ቅትለትን ካልኦት ተመሳሳልቲ ግህሰታትን ኣመልኪቱ ጸብጻባት ብቀፃሊ ይቅበላ ምህላወን እዚ ድማ ናብ ካልኦት ክፍልታት’ታ ሃገር ይውስኽ ከም ዘሎ ገሊፀን። ከምኡ’ዉን ብዝብሕጎግ ዘሎ ላዕለዋይነት ሕጊ ከምዝጓሃያን ብምግላጽ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ቀረባ ንዘቅረቦ መጸዋዕታ ብምቅላሕ ኣብ ክልል ትግራይ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብሕፁፅ ደው ክብል ፀዊዔን። እተን በዓልቲ ስልጣን፡ ኣስዒበን ነቶም ብላዕለዎት መራሕቲ ተሓባበርቶም ዕጡቃት ጉጅለታትን ፡ ንዓሌታዊ ጎንጺ ከጐሃህሩ ዝኽእሉ ኣጠቓቕማ ቃላት ኰኒነን። ተዃታዂ ቃና ኣለዎም ተባሂሎም ኣብቲ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ተጠቒሶም ዘለዉ ቃላት፡ከምእኒ “መንሽሮ:ሰይጣን:ጻህያይን ኣጋምን\" ዝብል ምስ ክልል ትግራይ ኣመልኪቶም ዝጥቀሱ ዘለዉ’ዮም። ናይ ፅልኢ ዘረባታት ምስ ናይ ማሕበራዊ ፕሮፖጋንዳ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ናይ ዘርኢ ምትፍናን ነዳዲ ክውስኽ ከም ዝኽእል ዘሎ ሻቅሎት ብምግላፅ የጠንቅቕ። መንነት መሰረት ዝገበሩ ግፍዓዊ ገበናት ብናይ ፅልኢ ዘረባታትን ምልዕዓላት ህውከትን ከምዝጅምሩ ኣብ ብዙሓት ቦታታት ርኢና ኢኣ ዝበላ እተን ፍልይቲ ኣማኻሪት፡ ከምዚ ዝበሉ ምልዕዓላት ብዓለምለኸ ሕጊ ሃገራዊ ሕግን ክልኩል'ዩ ኢለን። ኩሎም ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ክልላትን ነቲ ኲናት ደው ከብሎን ካብቲ ንዓሌታዊ ምጽናት ክመርሕ ዝኽእል ምትፍናን ክዓግቶን ሓላፍነት ከም ዘለዎ ኣስሚረን። እቲ መግለጺቀዳማይ ክውሰድ ዘለዎ ስጕምቲ ድማ ምቍራጽ ተጻብኦታት ምዃኑ ይጠቅስ ። መሰላት ኵላቶም ብሄራት ኢትዮጵያ ብማዕረ ክኽበር ከም ዘለዎ ዘዘኸራ እተን በዓልቲስልጣን በደልቲ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ጸዊዐን። ኣስዒበን ከኣ ኵላተን ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ውድባት፡ ብሕልፊ እኳ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ነቲ ዓሌታዊ ጎንጺ ንምውጋድ ዘድሊ ስራሕ ክዓምም ኣዘኻኺረን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A0-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%88%B0%E1%8D%8A%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%88%83%E1%88%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%BB%E1%89%95%E1%88%8E%E1%89%B1-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%BD\/5988171.html"} {"headline":"ኣመሓዳሪት ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ ሳማንታ ፖወር ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ከካይዳ'የን","content":"ኣዲስ አበባ ክኣትዋ ትፅቢት ዝገበረለን ዘሎ ኣመሓዳሪት ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ ሳመንታ ፓወር ዕላማ ጉዕዘአን ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ጥምየት ንምክልኻልን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይድሩት ሰብኣዊ ተበፃሕነት ከፍቅድ ተጽዕኖ ክገብራ ከምዝኾነ ኣቀዲመን ገሊፃን ነይረን ። ይኹን'ምብር እቲ ዝገብረኦ ተጽዕኖ ብዛዕባ ዝሓዞም ነጥብታት ግን ዝተባህለ ነገር የለን ። ሰበ ስልጣን ኢትዩጵያ ግን ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሕዎ መልእኽቲ ብሸነኽ ሱዳን ንመተሓላለፊ ሰብኣዊ ሓገዝ ተባሂሉ እቲ መስመር ክኽፈት ዝሓትት ተጽዕኖ ክብሉ ብምግላጽ ኣበርቲዖም ከምዝቃወሙዎ'ውን ሓቢሮም ኣለው ።ብዛዕባ እቲ ሳመንታ ፖወር ዘካይድኦ ምብጻሕ ግን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃቡን። ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሰን እቲተጽዕኖ \"ቅሉዕ መፃውዶ ተንኮል\" ክብሉ ገሊፆም ። ብኻልእ ወገን ህወሓት “ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ” ዝብሎም ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ግን ተዋጋእቲ ኣካል’ቲ ኣሸባሪ ዝተሰምየ ውድብ መራሒ ምዃኖም ዝዝረበሎም ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝኸፈትዎም መጥቃዕቲ ትግራይ ዝተዓፀዉዋ በርታት ንምኽፋትን መንግስቲ ትግራይ እናበሉ ዝፅዉዕዎ ኣካል ዘቀመጦ ቅድመ ኩነት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኽቅበሎም ተጽዕኖ ንምፍጣርን ምዃኑ ገሊፆም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%B3%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%8B%A9%E1%8A%A4%E1%88%B5%E1%8A%A4%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%88%B3%E1%88%9B%E1%8A%95%E1%89%B3-%E1%8D%96%E1%8B%88%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8A%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B3-%E1%8B%A8%E1%8A%95\/5988138.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ኣብ ክልል ዓፋር ብዝተፈጥረ ግጭት ኣስታት 75 ሽሕ ሰባት ካብ መነበሪኦም ምዝንባሎም ተሓቢሩ","content":"ኣብ ክልል ዓፋር ዞባ ኣርባዕተ ቅድሚ ሰሙን ብዝተፈጥረ ወታሃደራዊ ግጭት ቁጽሪ ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ 75,000 ሰባት ከምዝበፅሑ ናይቲ ክልል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ምክልኻል ሓደጋን ውሕስነት መግብን ኣቶ መሓመድ ሑሴን ኣፍሊጦም። ኣቶ መሓመድ ሑሴን እቲ ፀገም እንተድኣ ቀፂሉን ብቕልጡፍ እንተድኣ ዘይተቐይሩን ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ነበርቲ ናይቲ ክልል ንሰብኣዊ ቅልውላው ክቓልዑ እዮም ኢሎም። ንሶም ብተወሳኺ ተደራራቢ ብዝኾነ ሰብ ሰርሖንን ናይ ተፈጥሮ ሓደጋን ኣብ ሰብኣዊ ረድኤት ተፅዕኖ ምፍጣሩ ወሲኾም ገሊፆም። ካብ ናይቲ ክልል ዓቕሚ ንላዕሊ ብምዃኑ ንፌደራል ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ስራሕ ኣመራርሓን ብምፍላጥ ተወሳኺ ሓገዝ ይረኽቡ ከምዘለው ሓቢሮም ። ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ክልላት ዓፋርን ሶማሌን ብዘጋጠመ ምስሕሓብ ኣብ ነበርቲ ይወርድ ዘሎ ምጥፋእ ህይወት፣ ዕንወት ንብረትን ምምዝባልን ከምዘተሓሳሰቦ ገሊፁ። ክልላዊ መንግስቲ ሶማሌ ብወገኑ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰለስተ ሽሕ መራሕቲ ስድራ ካብ ገርበኢሴ ወይ ገዳማይቱ ምዝንባሎም ብምግላፅ ፌደራል መንግስቲ ንተመዛበልቲ ሓገዝ ክገብር ፀዊዑ ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%A8-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-75-000-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AA%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5988119.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣስታት 200 ሽሕ ሰባት ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም ተገሊጹ","content":"መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ፈደራል መንግስቲ በይንኣዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ድሕሪ ምውሳዱ ህወሓት “ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ” ንዝብሎም ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ግን ተዋጋእቲ ኣካል’ቲ ኣሸባሪ ዝተሰምየ ውድብ ዝብሎም ሓይሊ ብዝቐፀልዎ ውግእ ልዕሊ 200 ሽሕ ነበርቲ'ቲ ክልል ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም ኣፍሊጡ። ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ ግዛቸው ሙሉነህ ሎሚ ንሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ኣብቲ ክልል በሰንኪ ግጭትን ናይ ተፈጥሮ ሓደጋን ዝተመዛበሉ ኣስታት ፍርቂ ሚሊዮን ሰባት ሕፁፅ ረድኤት የድልዮም ኣሎ ኢሎም። ንሶም ወሲኾም እቲ ፀገም ብተደጋጋሚ እንተተገለፀ'ውን ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ዝኾነ ይኹን ምላሽ ዘይምሃቡ ከምዘሕዘኖም ገሊፆም ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-200-%E1%88%BD%E1%88%95-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%90%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5988104.html"} {"headline":"ኣብ ሕ\/ሃ ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ የካይዱ ኣለው","content":"ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ንጉዳያት ህጹጽ ኩነታት ማርቲን ግሪፍስ፣ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሽዱሽተ መዓልታት ዑደት ጀሚሮም ኣለው። ንሶም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፣ ኣብ መፈለምታ እዋን መዝነቶም ብሰንኪ ውግእ ሰብኣዊ ጠለባት ኣብ ዝበርተዐሉ ክልላት ትግራይን ቤንሻንጉል ጉሙዝን ኢትዮጵያ ኮይኑ ከምዘሎ ጠቂሶም። ኣብ ክልላት ዓፋር፣ ሶማሌ፣ ህዝቢታት ደቡብ፣ ደርቂ ዝተራኣየሉ ዞባ ሶማሌ፣ ኦሮምያን ዓፋርን ከምዝኾነ’ውን ሓቢሮም። እዚ ተርእዮ ተራእዩ ዘሎ፣ ኣብ ልዕሊ ውሕጅ፣ ኣንበጣ በረኻ፣ ከቢድ ሕጽረት መግቢን ለበዳ ኮቪድ 19 ከምዝኾነ’ውን ኣይከወሉን። ኣብ መላእ’ታ ሃገር፣ ሰብኣዊ ቀረባት ንምድንፋዕ ዘለዎም ተስፋ ንምጉላህ ምስ ዝምልከቶም ሰበ ስልጣን ሃናጺ ልዝብ ከምዝገብሩ’ውን ጠቂሶም። እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሓላፊት ጉዳያት ህንጸት ሰላምን ፖለቲካዊን ሕቡራት ሃገራት ሮዝመሪ ዲ ካርሎ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሰለስተ መዓልታት መገሻ ብምፍጻም ምስ ፕረዚደንት ሳህሌወርቅ ዘውዴ’ውን ከምዝተዘራረባ ተገሊጹ። ክልቲኦም ወገናት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተሳትፎ ደቂንስትዮ፣ መናእሰይን ሲቪል ማሕበረሰብን ብምሕያል፣ ሕቡራት ሃገራት ዘበርክቶ ተራ ከምዝዘተዩ’ውን እቲ ዜና ጠቂሱ። ሮዝመሪ ዲ ካርሎ ምስ ምክትል ቀ\/ሚን ሚኒስትር ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢን ኢትዮጵያ ደመቀ መኮንን፣ ምስ ሚኒስትር ሰላም ሙፈርያት ካሚል፣ ምስ ምክትል ኮምሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ሞኒክ ንዛባጋንዋን ካልኦትን ተዘራሪበን። ንሰን ናብ ሱዳን ምስ ኣተዋ ምስ ቀ\/ሚ ዓብደላ ሃምዶክ ተራኺበን እየን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8A-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8B%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8D\/5985442.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 100 ሽሕ ቆልዑ ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ሓደጋ ሞት የንጸላልዎም ከምዘሎ ተሓቢሩ","content":"ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ ) ኣብ ክልል ትግራይ ቅድሚ ኣዋርሕ ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታ ዘይኣትዎም ናብ ዝነበሩ ከባቢታት ሎሚ ምብጻሕ ከምዝካኣለ፣ እንተኾነ፣ ኣብ ልዕሊ ኩነተ ጥዕናን ድሕነትን ቆልዑ ሓዲርዎ ዝነበረ ስክፍታ ጋህዲ ኮይኑ ከምዝረኸቦ ኣፍሊጡ። ብመሰረት ገምጋም'ቲ ትካል ኣስታት 100 ሽሕ ቆልዑ፣ ኣብ’ዘን ዝቅጽላ 12 ኣዋርሕ ብሰንኪ ጉድለት ምግብና ሓደጋ ሞት ከንጸላልዎም ይኽእል እዩ ይብል። ብተወሳኺ ዛጊት ዝተካየዱ መጽናዕቲታት፣ 47 ሚእታዊት ነብሰጾራትን ዘጥቡባ ኣደታትን፣ ብከቢድ ሕጽረት መግቢ ይሳቀያ ከምዘለዋ ሓቢሩ ኣሎ። ኣብ እዋን ውግእ ምብጻሕ ዘይካኣል ኣብ ዝነበሩ ግጀትን ዋጂራትን ዘለው ቆልዑ፣ ኣብ ሓደገኛ ኩነት ኣለው ዝብል መግለጺ ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት፣ ዝተማለአ መግቢ ኣይረኽቡን፣ ጸረ ተሃዋስያን መድሓኒት የለን፣ ትካላት ጥዕና ኤለክትሪክ የብሎምን፣ ቆልዑ’ቲ ከባቢ ንኣዋርሕ ኣይተኸተቡን ይብል። እቲ ትካል ወሲኹ \"ናብ ትግራይ ዘይተደረተ መተሓላለፊ ንክረክብ ከምዝሓተተ፣ ኩሎም ወገናት፣ ስለምሕላው ድሕነት ቆልዑ ንዝወጹ ዓለምለኸ ሕጊታት ክትግብሩ\" ጸዊዑ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-100-%E1%88%BD%E1%88%95-%E1%89%86%E1%88%8D%E1%8B%91-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%88%95%E1%8C%BD%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B-%E1%88%9E%E1%89%B5-%E1%8B%A8%E1%8A%95%E1%8C%B8%E1%88%8B%E1%88%8D%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9-\/5985312.html"} {"headline":"ሰበ ስልጣን ኤርትራን ሱዳንን ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ምዝርራቦም ተገሊጹ","content":"ሰበ ስልጣን ኤርትራን ሱዳንን ኣብ ልዕሊ ዞባዊ ጉዳያት ከምዝተዘራረቡ ትዊተር ኣቶ የማነ ገ\/መስቀል ገሊጹ። ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ‘ፕረዚደንት ኢሳያስ ዝላኣኽዎም ኣጋይሽ ሎሚ ምስ ቀ\/ሚ ዓብደላ ሃምዶክ ተራኺቦም፣ ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ከምዝተዘራረቡ’ ጠቂሶም። ‘ክልቲኦም ወገናት፣ ኣገዳስነት ሓቢርካ ምስራሕ ኣብ ልዕሊ ውሽጣዊን ደጋዊን ብድሆታት ከምዘተኮሩ’ውን’ ትዊተር ኣቶ የማነ ጠቂሱ። ልኡኻት ኤርትራ፣ ንሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፣ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዝኾኑ ኣቶ የማነ ገ\/ኣብ ዝሓቆፈ ከምዝኾነውን ተገሊጹ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9E%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%88%AB%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5985303.html"} {"headline":"አዲስ አበባ: ኤርትራዊያን ስደተኛታት ንዘይውሑስ ኩነታት መዓስከራት ስደተኛታት ክልል ትግራይ ዝቃወም ሰልፊ አካይዶም","content":"ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሎሚ ሓሙስ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሕቡራት ሃገራት ነቶም ኣብ ግጭት ክልል ትግራይ ተቐርቂሮም ዘለዉ ብጾቶም ቦታ ክቕይሮም ንምጽዋዕ ዝሓትት ሰለማዊ ሰልፊ አካይዶም::። ኣብ ከባቢ መዓስከራት ስደተኛታት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓሪሽን ዕጥቃዊ ግጭታት ይካየድ ኣሎ: ናይ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ድማ ክልተ ስደተኛታት ከም ዝተቐተሉ ኣፍሊጡ`ሎ። ከምኡ ድማ ካብ ሓምለ 14 ጀሚሩ ናብቲ ካምፕታት ምእታው ከም ዘይክኣለ ኣፍሊጡ`ሎ። ኣመሪካ ብዛዕባ ኩነታት`ቶም ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዓሚቕ ከምዘተሓሳስባ ብሰሉስ ገሊጻ ኔራ`ያ። ኣብቲ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ሰልፊ ዝተሳተፈ ሄርሞን ሃይሉ፡ እቲ መዓስከራት ዞባ ኩናት ስለዝኾነ፡ ትካል ስደተኛታት ሕ\/ሃ ነቶም ስደተኛታት ናብ ካልእ ቦታ ከግዕዞም ኣለዎ ክብል ሓቲቱ`ሎ። ትካል ስደተኛታት ሕ\/ሃ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ 100 ዝኾኑ ስደተኛታት ካብተን ክልተ ካምፕታት ከምዘግዓዘ ብምሕባር፡ ነቶም ካልኦት`ውን ናብ ውሑስ ቦታ ንምግዓዝ፡ ምስ ሰበ-ስልጣን ክልል ትግራይ ይዘራረብ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ`ሎ። ትካል ስደተኛታት ሕ\/ሃ ሎሚ ሓሙስ ግን ርእይቶ ክህብ ብሮይተርስ ዝቐረበሉ ሕቶ ኣይመለሰን::","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%B5%E1%8A%A8%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8B%8D%E1%88%91%E1%88%B5-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%83%E1%8B%88%E1%88%9D-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D-\/5983937.html"} {"headline":"መግለጺ ቤት ጽሕፈት ቀ\/ሚ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዘውጽኦ ሓድሽ እማመ ሰላምን","content":"\"ሓረስቶት ትግራይ፣ ንእዋን ክረምቲ ንክጥቀሙሉ ተባሂሉ ዝተኣወጀ በይናዊ ምቁራጽ ተኹሲ፣ ንምትንዃል ዘውዐሎ ህወሓት፣ ንናይ ካልኦት ክልላት ሓረስቶትን ሰበኽ ሳግምን ይህውኾም\" ኣሎ ኢለን ሓላፊት ፕረስ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም። ቢልለኔ ማሕበረሰብ ዓለም ብግልጺ ንዝራኣይን ኣብ ኣደባባይ ዝብሎን ጽልኢ ምጽሕታር፣ ብስቅታ ምሕላፉ ዘተሓትትን፣ ጸግዒ ከምዝሓዘን ዘርኢን’ዩ’ውን ኢለን። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ መንግስቲ ክልል ትግራይ ናብ ምቁራጽ ተኹሲ ንምብጻሕ ሓገዝቲ ዝበሎም ሓሙሽተ ነጥቢታት ዝሓዘ እማመ ሰላም ሎሚ ከም ዘቕርበ ይግለጽ ኣሎ። እቲ ትማሊ ብወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀ\/ሚ ዝኾና ቢል ለኔ ስዩም ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ በይናዊ ምቁራጽ ተኹሲ ገይረ ኣለኹ ካብ ዝበለሉ ንዳሓር ዝተዋሃበ ፈላማይ መግለጺ እዩ። ቢልለኔ ስዩም ከምዝበለኦ \"ዕላማ እቲ ምቁራጽ ተኹሲ፣ ሓረስቶት ትግራይ፣ ንእዋን ክረምቲ ተጠቂሞም ስራሕቲ ሕርሻ ንክፍጽሙ ክሕግዝ እዩ ተባሂሉ ከምዝኾነ\" ጠቂሰን። እንተኾነ ይብላ ንሰን ‘ጽልኢ ጻሕታሪ ተግባር ህወሓት’ ብዝበለኦ ተግባር ተዓንቂፉ ኣሎ ኢለን:: \"መንግስቲ ንዝኣወጆ ምቁራጽ ተኹሲ ስዒቡ፣ ህወሓት ናብ ክልላት ምስፋሕንጽልኢ ምፍጣርን ቀጺሉ ኣሎ። ስለዚ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ጥራሕ ዝተሓጸረ ኣይኮነን። መጥቃዕቲ ህወሓት፣ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን’ውን ተጋፊሑ ኣሎ።\" እተን ሓላፊት ፕረስ ቤት ጽሕፈት ቀ\/ሚ ህወሓት ነቲ ውግእ ምቅጻሉ፣ ንናብራ ሓረስቶትን ካልኦት ዜጋታትን ሓላሊኽዎ ኣሎ ይብላ ። \"ምቁራጽ ተኹሲ ዝፈጠሮ ኣጋጣሚ፣ ንሓረስቶት ትግራይን ኣብ’ቲ ክልል ንዝነጥፉ ትካላት ረድኤት ንምድጋፍ ኣብ ክንዲ ምጥቃም፣ ከምጋሻ ንዝጥቀሙሎም ሲቪላት ኣንቀሳቂሶም፣ ኣብ ዓፋር፣ ኣምሓራን ትግራይን ንዝርከቡ ማሕበረሰባት ይህውኹዎም ኣለው። ንናይ ክልል ኣምሓራ ሓረስቶትን ናይ ክልል ዓፋር ሰበኽ ሳግምን ኩነታት ኣብ ክንዲ ምትህድዳእ፣ እቲ ጉጅለ ሽበራ ይህወኽን የጋድዶን ኣሎ። አብ ሰብኣዊነት ዝተመርኮሰ ምቁራጽ ተኹሲ ንኩነታት ዝያዳ ንከጋድድ ዕድል ሂብዎ። \" እተን ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ፕረስ፣ ጸግዒ ዝሓዘ መርገጺ ንዝበለኦ ማሕበረሰብ ዓለም’ውን ነቂፈን እየ:: \"ብዛዕባ ድሕነት ህዝቢ ትግራይ ድምጾም የቃልሑ ዝነበሩ፣ ሎሚ ህወሓት ንቀረባት ሰብኣዊ ሓገዛት ክዓጹ ከሎ፣ ይቃወሙኒ’ዮም ንዝበሎም ተጋሩ ክቀትል ከሎ፣ ህጻናት ናብ ሰራዊት ክምልምል ከሎ፣ ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ንምስክርነት ምሩኻት ሰሚዕና ኢና፣ ንሲቪላት ከም ሰብኣዊ ዋልታ ክጥቀም ከሎ፣ እቲ ግጭት ናብ ካልኦት ክልላት ኣስጊሩ መጥቓዕቲ ክፍጽም ከሎ፣ ስቅታ መሪጾም እዮም። ሰራዊታት መንግስቲን ክልል ኣምሓራን ካብ ትግራይ ይውጽኡ ዝብል ጻውዒት ነይሮም እዮም። ብግብረ ሽብራ ናይ ዝተጸወዐ ሓይልታት ህወሓት፣ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ክኣትው ከሎ ዓብዪ ስቃታ እዩ ዘሎ። ስለምንታይ? ዝብል ሕቶ ዘበግስ እዩ::\" እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ኣብ’ዚ ሳልስቲ ብትዊተር ርእይቶ ዝሃበ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ‘ኣብ ውግእ ይሰልጠና ኣሎ’ ኢሉ ኣሎ። ኣቶ ጌታቸው \"ፌደራል መንግስቲን ክልል ኣምሓራን ካበየ ክልላት ኣኪቦም ንዘዋፈርዎም ኣባላት ፍሉይ ሓይሊን ሓረስቶትን፣ ናብ ዝመጽእሉ ከባቢታት ምምላስና ክንቅጽለሉ ኢና፣ ጽልእና ምስ ምስ ውጹዓት ህዝቢታት ኣምሓራ፣ ዓፋርን ካልኦት ህዝቢታትን ምስ ምልሻታቶምን ኣይኮነን\" ኢሎም። ዝሓላፈ ቅነ፣ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣመሪካ ዋይት ሃውስ ንኩነታት ኣብ ክልል ትግራይ ዝምልከት ሕቶ ተላዒሉ ነይሩ። እቲ ሕቶ \"ህወሓት ነቲ ምቁራጽ ተኹሲ ዘይምቅባሉን ንህጻናት ኣብ ውግእ ምጥቃሙ ጉዳይ፣ መርገጺ ምምሕዳር ባይደን እንታይ እዩ?\" ዝብል እዩ ነይሩ። ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ \"ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነተ ጸጥታን ህድኣትን ካብ ልቢ ከምዝምልከተኦ\" ብምጥቃስ ነቲ ጉዳይ ናብ ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት መሪሐነኦ እየን። ቅድሚ ሎሚ መርገጺኤን ዝገለጻ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣመሪካ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ኣብ ልዝብ ዝተመሰረተ ምቁራጽ ተኹሲ ኣገዳሲ ምዃኑ ከምዝገለጻ ዝዝከር እዩ ። እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሎሚ ሓሙስ \"እዋናዊ መርገጺ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ልዝብ ንምቁራጽ ተዂሲ\" ኣብ ትሕቲ ዝብል ሓሙሽተ ነጥቢታት ዝሓዘ እማመ ሰላም ኣውጺኡ ኣሎ። እቲ እማመ ሰላም \"መንግስቲ ክልል ትግራይ፣ ውግእ ብሰላማዊ ኣገባብ ንከብቅዕ ድልየቱ ከምዝኾነ ደጋጊሙ ገሊጹ እዩ፣ ናይ ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ጸጥታን ንምሕላው’ውን ዓቅሚ ከምዘለዎ ንጹር ኮይኑ ኣሎ\" ይብል። ፖለቲካዊን ወትሃደራዊት ኩነታት ኢትዮጵያን ሳዕቤናቱን ብቅልጡፍ ይቀያየር ከምዘሎ ምምሕዳር ትግራይ ስለዝተረደአ፣ ቅድም ኢሉ ንዘቅረቦ እማመ ሰላም ምምሕያሽ ኣገዳሲ ኮይኑ ከምዝረኸቦ’ውን ይጠቅስ። ብመሰረት’ዚ ይብል እቲ መግለጺ \"ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ሕጋዊነትን ሕገ መንግስታዊ ስልጣንን ስለዘይብሉ፣ መሰጋገሪ ስርዓት ንክተኣታተውን ንኩሎም ፖለቲካዊ ፓርቲታት ዝሓቆፈ መድረኽ ንክዳለውን፣ ሰራዊታት ኤርትራን ክልል ኣምሓራን ካብ ትግራይ ከምዝወጹ ብዓለምለኸ ኣካል ንክረጋገጽን ነገራት ናብ ንቡር ንክምለሱን\" ብምጽዋዕ፣ ኣብ ልዝብ ዝተመስረተ ምቁራጽ ተኹሲ ቅድሚ ምትግባሩ ክማልኡ ኣለዎም ዝበሎም ሓሙሽተ ነጥቢታት ኣነጺሩ ኣሎ። 1ይ፣ ኣብ ትግራይ ዝተቋረጹ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፣ ኤለክትሪክ፣ ስልኪ፣ ባንኪ፣ መጓዓዝያ፣ ጥዕናን ንግዲን ይከፈቱ። 2ይ፣ በጀት 2013ን 14 ንትግራይ ይለቀቅ፣ 3ይ፣ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝኣትወሉ ጽርግያታትን መገዲታትን ይከፈቱ 4ይ፣ ኩሎም ፖለቲካዊ፣ ወትሃደራዊን ሲቪላዊን እሱራት ይፈትሑ 5ይ፣ ጅምላዊ ማእሰርቲን ምዕጻው ኣብያተ ንግዲን ተጋሩ ብህጹጽ ደው ይበል፣ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ናይ ምንቅስቃስ ነጻነቶም ይረጋገጽ፣ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ወፍሪ ሚድያ ደው ይበል ዝብሉ እዮም። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ልዝብ ንዝተመርኮሰ ምቁራጽ ተኹሲ ዘብጽሑ እዞም ዝተጠቀሱ ቅድመ ኩነታት ተቀባልነት ከምዝረኸቡ ንምርግጋጽ፣ ኣቀዲሙ ብዓለምለኸ ሚድያታት ንክቃላሕ’ውን ጸዊዑ ኣሎ ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8C%BD%E1%88%95%E1%8D%88%E1%89%B5-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%8B%8D%E1%8C%BD%E1%8A%A6-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%8A%A5%E1%88%9B%E1%88%98-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D%E1%8A%95\/5983917.html"} {"headline":"ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ሕ\/ሃ ናብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ከካይዱ'ዮም","content":"ምኽትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ ጉዳያትን ህጹጽ ሓገዝን ማርቲን ግሪፍስ ንናይ ሽዱሽተ መዓልታት ምብጻሕ ናብ ኢትዮጵያ ይገይሽ ኣሎ። ከም ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ንመጀመርያ ግዜ ኢትዮጵያ ይበጽሕ ከምዘሎ ዝገለጸ ማርቲን ግሪፍስ፥ ኣብ'ታ ሃገር ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይንን ቤነሻንጉል ጉምዝን ዝካየድ ግጭት ከምኡ`ውን ኣብ ክልል ዓፋርን ደቡብን ብሰንኪ ዝርኣይ ቀቢላዊ ጎንጽታት ፡ ሰብኣዊ ጠለብ ኣብዚ ዓመት`ዚ ክንህር ምኽኣሉ ተዛሪቡ። ግሪፍስ፡ ኣብቲ ናይ ኢትዮጵያ ዑደቱ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ብዓይኑ ንምርኣይ ናብቲ ቦታ ከምዝጉዓዝ ሓቢሩ`ሎ። ኣስታት 5.2 ሚልየን ህዝቢ ማለት 90% ካብ ህዝቢ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮ ክግለጽ ጸኒሑ`ዩ። እቲ ምኽትል ዋና- ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ናብ ባህርዳር ብምኻድ `ውን ምስ ሰበ-ስልጣን ክልል ኣምሓራ ከምዝዘራረብ ኣፍሊጡ`ሎ። ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነቲ ሰብኣዊ ቅልውልው ምላሽ ንምሃብ፡ ምስ መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ንምስራሕ ድልው ኣሎ ዝበለ ማርቲን ግሪፍስ፡ እዚ ናብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ዑደት፡ ሕቡራት ሃገራትን መሻርኽቱን ብኸመይ ክሕግዝ ከምዝኽእል ምስ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ንምምይያጥ ዕድል ዝህብ`ዩ ኢሉ።እቲ ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር ሰብኣዊ ምላሽ ንምዕባይ ሃናጺ ዝርርብ ክገብር ተስፋ እገብር ኢሉ`ሎ ። ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 90 ዝኾና ንሰብኣዊ ምላሽ ዝሰርሓ፡ ናይ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣህጉራውን ሃገራውን ከምኡ`ውን ዘይመንግስታውን መንግስታዊ ትካላት ከምዘለዋ ይግለጽ`ዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8A-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%A8%E1%8B%B5%E1%8A%A4%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8A%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1-%E1%8B%AE%E1%88%9D\/5983886.html"} {"headline":"ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያን ማእሰርቲ ኣብ ሑመራ ድማ ማእሰርትን ምቕታልን ይፍፀም ኣሎ ኢሎም መራሕቲ ውድባትን ነበርትን","content":"ኣብ አዲስ አበባን ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገርን ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ማእሰርትን ምንክልባትን ምቕፃሉ መራሕቲ ፖለቲካዊ ፓርትታትን ነበርትን ይገልፁ።’’ፈንቅል’'ብዝብል ሽም ዝፍለጥ ንፌደራል መንግስቲ ዝድግፍን ንህወሓት ዝቃወምን ኣባል መሪሕነትን ናይ ባይቶና ኣባል መሪሕነትን ተአሲሮም አበይ ከምዘለው ከምዘይፍለጥ ኣባል መሪሕነት ‘’ፈንቅል’’ እየ ዝበለ ንቪኦኤ ገሊፁ። ኣብ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራን ከባቢኡን መቐተልቲ ከምዝፍፀምን ኣሽሓት ድማ ተኣሲሮም ከምዝርከቡን ካብ ሑመራ ሃዲሞም ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ሱዳን ሓምዳይት ዝኣተው ገሊፆም። ካብ ፌደራል ፖሊስን ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሕራን ሪኢቶ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን። ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ምዕፃው ኣብያተ ንግድን ይፍፀም ከምዘሎ መረዳእታ በፂሑኒ ክብል ምግላፁ ይዝከር። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብወገኑ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዝዓለመ ማእሰርቲ ይፍፀም ኣሎ ኢሉ ኣሎ። ‘'ፈንቅል’’ ብዝብል ሽም ናይ ዝፅዋዕናይ መናእሰይ ምንቅስቓስ ኣባል ኣመራርሓ ምዃኑ ዝገለፀ መንእስይ ሙሉጌታ ወረደ ንሱን ኣዕርኽቱን ንህወሓት ብምቅዋም ንናይ ፌደራል መንግስቲ ምንቅስቓስ ለውጢ ክድግፉ ከምዝፀንሑ ይገልፅ። ሕዚ ግን ናይ ትግራዋይ ዘርኢ ናይ ምፅናት ስራሕ፣ ብቁጠባን ብሞራልን ናይ ምድኻም ስራሕ ይስራሕ ኣሎ ዝበለ ኣቶ ሙሉጌታ መርኣያታቱ ድማ አብ ኣዲስ ኣበባን መላእ ሃገርን ይፍፀም ኣሎ ዝበሎ ንፁሃን ተጋሩ ካብ መንበሪኦምን መንግድታትን እናተሓፈሰ ይእሰሩ ኣለው ይብል። ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ‘’ፈንቅል’’ ሚኪ ተስፋይ ተኣሲሩ ኣበይ ከምዘሎ ከምዘይፈልጥ ይገልፅ ሙሉጌታ። ይፍፀም ዘሎ ማእሰርቲ ፖለቲካዊ ደንበ ዘይፈሊ እዩ ዝበለ ኣቶ ሙሉጌታ ዘርኢ እናተፈለየ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዝፍፀሙ ተግባራት ማእሰርትን ምንክልባትን ኣዚዮም ዘጨንቑ እናኾኑ ቀፂሎም ኣለው ኢሉ። ኣቦ ወንበር ዓረና ትግራይን ህወሓት ካብ ስልጣኑ ምስተልዓለ ብፌደራል መንግስቲ ናይ ዝተሸመ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣባል ካብኔ ዝነበረን ኣቶ ኣብርሃ ደስታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፌስቡክ ገፁ ኣብ ዘውፅኦ መልእኽቲ ናብ ወፃኢ ሃገር ክጉዓዝ ደልዩ ብጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ፌደራል ከምዝተኸልከለ ገሊፁ።’’ቅድሚ ዓመታት ዝተኣሰርኩሉን ነፃ ዝተብሃልኩሉን ክሲ ዳግም ተላዒሉ ንከላኸል ናይ ቤት ፍርዲ ቆፀሮ ተዋሂቡኒ ኣሎ’’ይብል ኣብ ፅሕፉ። ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ተኣሲሮም ዝነበሩ ከይተረፈ እናተሓፈሱ‘’መዳጎኒ’'ኢሎም ኣብ ዝፀውዕዎም ኣብያተ ማእሰርቲ ከምዝርከቡ የግልፁ። ኣብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢን ርክብ ፖለቲካዊ ውድባትን ኣቶ ሃይሉ ከበደ ካብ ወፃኢ ሃገር ይምፃእ ካብ ውሽጢ ብዘየገድስ ተወለድቲ ትግራይ እናተሓፈሱ ንግፍዒ ይቃልዑ ኣለው ኢሉ። ኣቶ ሃይሉ ብምውሳኽ እቲ ጉዳይ ንናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን እንተፈልጡ እውን ‘’ንከታተሎ ኣለና’’ ካብ ምባል ወፃኢ ዝተረኸበ መፍትሒ የለን ይብል። ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ‘’ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተወለድቲ ትግራይ፣ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጋዜጠኛታትን ምእሳር ጠጠው ይበል’’ ክብል ብምሕታት መንግስቲ ኢትዮጵያ እሱራት ዘለውዎ ቦታ ከፍልጥ ፀዊዑ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ ‘’ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ዝቐፀለ ግጭት ተኣሳሲሩ ኣብ ልዕሊ ስቪላት ሰባት ዝዓለመ መጥቓዕቲ ምህላውን ህይወት ምጥፍኡን ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ እሱራትን ምሩኻትን ዝወርድ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ፣ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝወርድ መጥቓዕታትን ህፃናት ንውትድርና ምጥቃም ዘመልክቱ መረዳእታት ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ 8 ሓምለት 2013 ዓ\\ም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ። ቅድሚ ዓሰርተ ማዕልታት መግለፂ ዝሃቡ ኮሚሽነር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ጌቱ ኣርጋው ንህወሓት ብምድጋፍ ዝተጠርጠሩ 325 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎምን እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ምስ ብሄራዊ መንነት ዝተኣሳሰረ ከምዘይኮነን ምግላፆም ይዝከር። ብኻሊእ ዜና ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብፍላት ድማ ኣብ ከተማ ሑመራን ከባቢኡን ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ቅትለት ሓዊሱ ግፍዒ ይፍፀም ኣሎ ክብሉ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ሃዲሞም ኣብ ሓምዳይት ሱዳን መዕቖቢ ስደተኛታት ዝኣተው ተወለድቲ ትግራይ ንቪኦኤ ገሊፆም። ሕዚ እውን ስድርኦም ወይ ተኣሲሮም ወይ ድማ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ስግኣት ስለዝርከቡ ሽምና ይትዓቀብ ዝበሉ እዞም ስደተኛታት ሰባት ብበዝሒ ናብ ሱዳን ይኣትዉ ከምዘለው ይገልፁ። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን እንተወሓደ 3,000 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ዶብ ጥሒሶም ናብ ሱዳን ከምዝ ሃደሙ ሰበስልጣን ሱዳን ገሊፆም ኣለው። ቪኦኤ ካብ ዘዘራረቦም ሰለስተ ስደተኛታት ዝብሉዎ በደል ተመሳሳሊ እዩ።ዕጡቓት ኣምሓራ ንኹሎም ናይ ትግራይተወለድቲ ‘’ጁንታ’’ እናበሉ ከም ዘንከላብቱዎምን ከምዝኣስሩዎምን ይገልፁ።ኣብ ናይ ሰሊጥ መኽዘናትን ኣብያተ ማእሰርትን ኣሽሓት ተጋሩ ተኣሲሮም ከምዝርከቡ ይገልፁ።ምስ ስድርኡ ተኣሲሩ ከምዝነበረን ንሱ ምስ ተፈትሐ ሃዲሙ ከምዝወፀን ካልኦት ኣባላት ስድርኡ ግን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝክረቡን ዝገለፀ እዚ ስደተኛ ምሕምባስ ኣፀቢቑ ሰልዝፈልጥ ብለይቲ ተሓቢኡ ከምዝወፀ ገሊፁ። ጁንታን ናይ ወያነ ተለኣአኽቲ እናበሉ ከምዝፅውዑዎም ዝገልፀን ህይወቱ ንምትራፍ ተሓቢኡ ምህዳሙ ዝገልፅ እዚ ስደተኛ ንህይወቱ ክብል ሽሙ ምጥቃስ ዘይደልዮ ናይ ቀረባ ዓርኩ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ተወሲዱ ኣበይ ከምዝኣተወ ከምዘይፈልጥ ይገልፅ።ንሱ ዝፈልጦም ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐተሉ ይዛረብ።ፌቨን በርሀ ዝተብሃለት ነባሪት ከተማ ሑመራን ወናኒት ቤት ምግቢን ብዘሰቅቕ ተቐቲላ ስድርኣ ይኹኑ ፈተውታ ከይተረኸቡ ‘’ብቶም ቀተልቲ’’ ተቐቢራ ይብል። ኣብ ሑመራን ከባቢኡን ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ስልዝርከቡ ማሕበረሰብ ዓለም ክበፅሐሉ ይግባእ ክብል እውን መልእኽቱ ኣሕሊፉ። UNHCR ኣብዚ ሰሙን ብኢሱዎ ብሰንኪ ዝቐፀለ ውግእ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ስደተኛታት ናብ ሱዳን ክኣትው እዮም ተባሂሉ ትፅቢት ከምዝገብር ገሊፁ ኣሎ። ኣብዚኦምን ካልኦት ተኣሳሰርቲ ጉዳያትን ሪኢቶ ንምርካብ ንናይ ፌደራል ፖሊስ ኮሚሽነር ደመላሽ ገብረሚካኤልን ናይ ኣምሓራ ክልል ወሃቢ ቃል ኣቶ ግዛቸው ምሉነህን ተደጋጋሚ ስልኪ ደዊለ ኣይሰለጥን።ምስረኸብና ክነቕርበልኩም ኢና። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/the-arbitrary-arrests-of-tigrians-in-addis-ababa-and-through-out-ethiopia-is-continued-said-political-party-leasders-and-residents\/5983734.html"} {"headline":"ዋሕዚ ስደት ኢትዮጵያውያን ንሱዳን ይቕጽል","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ካብቲ ተሓጺሩዎ ዝጸንሐ ክልል ትግራይ ወጺኡ፡ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ብምልሓሙ፡ ዜጋታት ንሱዳን የምርሑ ኣለዉ። ብመሰረት ሓበሬታ ሰበ-ስልጣን ሱዳን፡ ኣብዚ ሰሙን ጥራይ ኣስታት 3,000 ዝገመቱ ኢትዮጵያውያን፡ ሃዲሞም፡ ሱዳን ኣትዮም። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ካብቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሃዲሞም ኣብ ሱዳን ተዓቚቦም ከም ዘለዉ ሰበ-ስልጣን ሱዳን ይሕብሩ። ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ገዳርፍ፡ ኣወሃሃዲ ኮሚተ ህጹጽ ሓደጋ ዓሊፋቲሕ ሞጋደም ንድምጺ ኣመሪካ ከም ዝሓበሮ፡ ቍጽሪ ምዝጉባት ሓተትቲ ዑቕባ 1,058 በጺሑ ኣሎ። እቲ መዓስከር ክመጽእ ንዝኽእል ዋሕዚ ስደተኛታት ከም ዘይጸውር ዝገለጸ እቲ ኣወሃሃዲ፡ መንግስቲ ሱዳን ቅልጡፍ ሓገዝ ክገብረሎም ተማሕጺኑ። መብዛሕትኦም ሓደስቲ ስደተኛታት ካብ ክልል ኣምሓራ ዝመጽኡ ክዀኑ እንከለዉ፡ ካልእ ዕብይ ዝበለ ቍጽሪ ድማ ካብቲ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሰሕሓሕብ ዘሎ ኣልፋጋሽጋ ዝተባህለ ከባቢ ዝመጹ ምዃኖም ይግለጽ። ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ክልል ትግራይ ዝጀመረ ኲናት፡ ህይወት ኣሽሓት ዜጋታት ኢትዮጵያ፡ ብቐንዱ ከኣ ንክልል ትግራይ፡ ከቢድ ዕንወትን ምምዝባልን ኣስዒቡ’ዩ። ከም ዓለማዊ ፕሮግራም መግቢ ዝኣመሰላ ትካላት ከም ዝገልጸኦ፡ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኣስታት 5 ሚልዮን ዜጋታት ተጸበይቲ ሓገዝ-መግቢ ኰይኖም ኣለዉ። 60-ሽሕ ኣቢሎም ዝበጽሑ ዜጋታት ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ሱዳን ኣብ ዝርከብ መዓስከራት ስደተኛታት ተዓቚቦም ኣለዉ። ዋሕዚ ስደተኛታት ዝፈጠሮ ካልእ ስጋኣት’ውን ኣሎ። ከም በዓል ኣሕመድ ዓብደልቓኒ ዝኣመሰሉ ተንተንቲ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ መዓስከር፡ ኣብ መንጎ ተወለድቲ ብሄራት ኣምሓራን ትግራይን ግጭት ክለዓል ከም ዝኽእል ይእምቱ። “ኣቐዲሙ ዝጸንሐ እሉኽ ዓሌታዊ ፍሕፍሕ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ኣብ መንጎ’ቶም ንፈደራል መንግስቲ ዝድግፉ ተወላዶ ኣምሓራን ተጋሩን ምትፍናን ክህሉ ስለ ዝኽእል ኣሰካፊ’ዩ። ሓደስቲ ስደተኛታት ኣብ ሓደ መዓስከር ምእታው እምበኣር ካልእ ሳዕቤን ክህሉዎ ይኽእል’ዩ። ብወጻኢታት’ውን ስለ ዘይክእሎ፡ መንግስቲ ሱዳን ኣብቲ ከጓንፍ ዝኽእል ዓሌታዊ ጎንጺን ስእነት ውሕስነት ጸጥታን ኣመልኪቱ ብዙሕ ዝተገደሰ ኣይመስልን።\" ኣብ ክልል ትግራይ ዘጓነፈ ኲናት፡ ነቲ ኣቐዲሙ’ውን ቅዱው ዘይጸንሐ ዝምድናታት ሱዳን ኢትዮጵያን ኣብኢሱዎ’ዩ። ክልተአን ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሓጽቢ ሕዳሴ ኣመልኪተን ንዓመታት ዝኸደ ምስሕሓብ ኣለወን። ካልኣይ ገጽ ምምላእ እቲ ሓጽቢ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ንመደብ እቲ ስራሕ ኣመልኪታ፡ ኢትዮጵያ መግለጺ ምውጽኣ ይዝከር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8B%E1%88%95%E1%8B%9A-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%89%95%E1%8C%BD%E1%88%8D\/5983506.html"} {"headline":"ንከተማ አዲስ አበባ ምስ ወደብ ጅቡቲ ዘራኽብ መስመር ምዕጻው ፕረ.ክልል ሶማሌ ገሊጾም","content":"ፕረዚደንት ክልል ሶማሌ ሙስጣፋ ሙሓመድ ዖማር ወደብ ኣልባ ናይ ዝኾነት ኢትዮጵያ ዋና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ወደብ ጅቡቲ ዘራኽባ ወሳኒ ጎደናን መንገዲ ባቡርን ተዓፅዩ ክብሉ ገሊፆም። ኣስታት 110 ሚሊዮን ህዝቢ ናብ ዘለዋ ኢትዮጵያ ዝበዝሕ ኣቑሑት በዚ መስመር ዝኣትው ምዃኑ ይፍለጥ እዩ። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብዛዕባ እቲ ዝተባህለ ምዕፃው ኣይረጋገፀን። ርእይቶ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሰበስልጣን ጅቡቲ'ውን ኣይተረኽበን:: ናይ ሶማሌ ክልል ፕረዚደንት ሙስጣፋ ሙሓመድ ዖማር ነቲ መንገዲ ዝዓፀውዎ ዝሓለፈ ቀዳም ንዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ዝተቓወሙ ናይቲ ከባቢ መናእሰይ እዮም ኢሎም ኣለው። ንሶም ወሲኾም ሚሊሽያታት ክልል ዓፋር ትማሊ ሰሉስ ንሓንቲ ከተማ ኣጥቂዖምን ዘሪፎምን ኢሎም ኣለው። ሙስጣፋ ሙሓመድ ዖማር ንሮይተርስ ብዝለኣኹዎ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ \"መስመር ባቡርን ወሳኒ ጎደናን ኣዲስ ኣበባ-ጅቡቲ ንምኽፋት ንሰርሕ ኣለና’’ ኢሎም ኣለው።ንሶም ቀጺሎም \"ምስ መናእሰይ ንላዘብ ኣለና’’ኢሎም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%88%E1%8B%B0%E1%89%A5-%E1%8C%85%E1%89%A1%E1%89%B2-%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%8A%BD%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%8C%BB%E1%8B%8D-%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8C-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/5982548.html"} {"headline":"ነበርቲ ባህርዳር መንግስቲ'ቲ ክልል ንዝጸውዖ ናይ ክተት መልእኽቲ ምቕባሎምን ድልውነቶምን ምግላጾም ተሓቢሩ","content":"ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ንዝጸውዖ ናይ ክተት መጸዋዕታ ምቕባሎምን ናብ ግንባር ብምዝማት ድልዋት ምዃኖምን ነበርቲ ባህርዳር ገሊጾም። ሎሚ ኣብ ባህርዳር ብ10 ሺሕ ዝቑጸር ህዝቢ ነቲ ዘመቻ ንምድጋፍ ኣብ ዝወጻሉ እዋን፡ ምኽትል ከንቲባ ባህርዳር ዶ\/ር ድረስ ሳህሉ “ሓይልታት ወጻኢ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣሸባርነት ንዝተመደበ ህወሓት ምድጋፍ ደው የብሉ” ክብል ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንዝወጸ ህዝቢ መደረ ኣስሚዑ`ሎ። ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ፡ ናይ ህልውና ሓደጋ ገጢሙኒ`ሎ ኢሉ ድሕሪ ምእዋጁ፡ ነበርቲ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ኣብ ነቲ ሓደጋ ንምምካት ብዝብል ናብ ኣደባባይ ውጺኡ ድጋፉ ዝገልጽ ህዝቢ እናወሰኸ መጺኡ`ሎ። ካብ ዝሓለፈ መወዳእታ ሰሙን ጀሚሩ፡ ኣብ እንጅባራ፡ ጎንደር፡ ደብረማርቆስ፡ ደብረብርሃንን ካልኦት ከተማታትን ናይ ድጋፍ ሰልፍታታት ቀጺሎም ኣለዉ ኣብቲ ሎሚ ኣብ ባህርዳር ዝተገብረ ሰልፊ ካብ ዝተሳተፉ ሓደ ኣቶ ኣበበ እንዲያውቁ፡ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ብክልላዊ መንግስቲ ንዝተጸውዐ ናይ ክተት ጻውዒት ምቕባለይ ንምርግጋጽ`የ ሰልፊ ወጺአ ይብል:: ወ\/ሮ ጎንደሪት ኣያሌው ዝተባህለት ብወገና፡ ንመንግስቲ ዘለኒ ድጋፍ ንምርግጋጽ`የ ሎሚ ናብዚ ሰልፊ መጺአ ዘለኹ ትብል :: ኣብቲ ሰልፊ መደረ ዘስምዐ ምኽትል ከንቲባ ዶ\/ር ድረስ ሳህሉ፡ ሓይልታት ወጻኢ ንሽብርተና ጉጅለ ህወሓት ምድጋፍ የቋርጹ ክብል ሓቲቲ`ሎ:: ወኪል ቤት ምኽሪ ተወዳደርቲ ፓርትታት ኣቶ ይደግ ማሩ ብወገኑ ክገልጽ ከሎ፡ ቤት ምኽርና ንህወሓት ንምምካት ኣብ ጎኒ መንግስቲ ምዃኑ ነፍልጥ ኢሉ:: ብተመሳሳሊ ዝሓለፈ ሰሙን`ውን ኣብ ከተማ ጎንደር ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ፡ ነበርቲ ፡ ሓይልታት ወጻኢ ካብ ኢትዮጵያ ኢዶም የልዕሉ ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም ኔሮም። ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ደብረማርቆስ`ውን ተመሳሳሊ ሰልፊ ተኻይዱ ኔሩ። “ካብ እንግድዓ ቆልዑ ብረት የልግስ” ዝብሉን ካልኦት ጭርሖታትን`ውን ክቃልሑ ተሰሚዖም ኔሮም። ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ብወገኑ ኣብ ዝለኣኾ ናይ ትዊተር መልእኽቲ፡ ንሓረስቶት ናብ ዝመጽሉ ምምላስና ክንቅጽል ኢና: ጽልእና ምስ ጭቁናት ህዝብታት ኣምሓራን ዓፋርን ምስ ሚልሽኦምን ኣይኮነን፡ ጽልእና ንኣደታት ትግራይን ሕጻናትን እንተዘይወዲኦም ድቃስ ምስ ዘይወስዶም በዓል ኣቢይን ደመቀን`ዩ፡ እዚኣቶም ንህዝብና ስግኣት ኮይኖም ክሳብ ዝቐጸሉ፡ ስጉምትና ብረት ኣብ ዘልዓልሉ ቦታታት ኩሉ ክቕጽል`ዩ ኢሉ። ብዝተሓሓዘ ካልእ ዜና ዕጡቓት ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ሶማሌ ፈፂሞምዎ ዝተባህለ ቅትለትን ምዕናው ንብረትን ዝኹንን ሰልፍታት ኣብ ከተማታት ድሬዳዋን ካልኦት ከተማታትን ክልል ሶማሌ ተኻይዱ። እቶም ሰልፈኛታት ፈፀምቱ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ሓቲቶም። ነቲ ተግባር ፈፂሙዎ ዝብሃል ኢጉጉማ ማለት ናይ ዓፋር ግንባር ዴሞክራሲያዊ ጥምረት ዝተብሃለ ዕጡቕ ለውጢ ስዒቡ ዕጥቑ ምውራዱ ክልል ዓፋር ይገልፅ። ክልል ዓፋር ንዝቐረቡ ክስታት ኣይተቐበሎን። ዝተዓፀው መስመር ባቡርን መንገዲን ኢትዮ ጅቡቲ ክሳብ ዱሬ ዝተባህለ ጣቢያ ብኽፋል ተኸፊቱ ምኽፋቱ ውን ተገሊጹ'ሎ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%AD%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8B%8D%E1%8B%96-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%89%B0%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%A3%E1%88%8E%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%8B%B5%E1%88%8D%E1%8B%8D%E1%8A%90%E1%89%B6%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%88%8B%E1%8C%BE%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9-\/5982501.html"} {"headline":"ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ኣስታት 5 ሽሕ ኢትዮጵያዊያን ናብ ሱዳን ክስደዱ ይኽእሉ'ዮም ተባሂሉ","content":"ኣብ ዝቕፅሉ መዓልታት ኣስታት 5,000 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ናብ ሱዳን ክሰግሩ ትፅቢት ከምዝግበር ሓደ በዓል ስልጣን ሱዳን ሎሚ ረቡዕ ንኤኤፍፒ ገሊፆም። ንሶም እቶም ዝስደዱ ካብ ግጭት ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዝሃድሙ እዮም ኢሎም። ኣብ መጀመሪያ እዚ ሰሙን 3,000 ኢትዮጵያዊያን ናብ ጎረቤት ሱዳን ሃዲሞም ኣለው።ብዝሒ ስደተኛታት ድማ ልዕሊ 60,000 ኮይኑ ኣሎ። እቶም በዓል ስልጣን ከሰላ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል \"ውግእ ተባኢሱ ኣብ ዝቐፀለሉ እዋን ኣብ ዝቕፅሉ 48 ስዓታት ኣስታት 5,000 ሓተቲ ዑቑባ ሱዳን ክኣትው ትፅቢት ንገርብ’’ ኢሎም ። ዝሓለፈ ዓርቢ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሕፅረት መግብን ቀረብን ጉድኣት የውርድ ኣብ ዘለሉ ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት \"ኣዚዩ ዘሻቕል እዩ’’ ምባሉ ይዝከር። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንኣርባዕተ ሚሊዮን ሰባት ህፁፅ ረድኤት ንምቕራብ ናብ ክልል ትግራይ ዘይተደረተ ተበፃሕነት ክህልው ፀዊዑ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%8A%A5-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-5-%E1%88%BD%E1%88%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%8B%B1-%E1%8B%AD%E1%8A%BD%E1%8A%A5%E1%88%89-%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%82%E1%88%89\/5982427.html"} {"headline":"ውድብ ጥዕና ዓለም፤ ኣብ ትግራይ ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ብዘይ ቀረብ መሰረታዊ ጥዕና ምህላዉ ገሊጹ","content":"ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ብስእነት መሰረታዊ ቀረባት ጥዕና ንሕማማት ቅሉዓት ምህላዎም ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ። እቲ ውድብ፡ ናብ ኣዝዩ ውሱን ቍጽሪ ህዝቢ ጥራይ ሕክምናዊ ሓገዝ ከባጽሕ ከም ዝኸኣለ ኣፍሊጡ ኣሎ። ውድብ ጥዕና ዓለም ከም ዘመልክቶ፡ መሓዉራት ጥዕና ዓንዩ፡ መሰረታዊ ቀረባት ከም ኤለክትሪክ ብዘይ ምህላዉ ነቲ ስራሕ መሊሱ ከም ዘብኣሶ ይሕብር። ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ 3.8 ሚልዮን ዜጋታት ኣብ ትግራይ፡ መሰረታዊ ቀረባት ጥዕና ዝጽበዩ’ዮም። እቲ ትካል፡ ናብ 2.3 ሚልዮን ዝበጽሕ ሕክምናዊ ሓገዝ ክገብር ድሉው ደኣ ይንበር እምበር፡ ካብ ፈለማ ወርሒ ግንቦት ኣትሒዙ ግን ንከባቢ 87-ሽሕ ጥራይ’ዩ ክሕግዝ ክኢሉ ዘሎ። ወሃቢት ቃል ትካል ውድብ ጥዕና ዓለም ዝዀና ፋደላ ቻይብ ከም ዝሓበረኦ፡ ዋሕዲ ነዳዲ፡ ስእነት ጸጥታን ገንዘብን ነቲ ናይ ህይወት-ኣድሕን ስራሓቶም ኣሰናኺሉዎ ኣሎ። “እቲ ዝያዳ ስክፍታ ዝፈጥር ድማ እቲ ወቕቲ ንለበዳ ሸሮኽን ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ሕማማትን ምቹእ ግዜ ምዃኑን’ዩ። ንምክልኻል ሕማማት ንፍዮን ዓሶን ዝነጥፋ ዝነበራ ትካላት ጥዕና፡ ብሰንኪ’ዚ ኲናት ስራሓተን ክቕጽላ ኣይከኣላን። እዚ፡ ነቶም ብሰንኪ’ቲ ኲናት ኣካላዊ ማህረምቲ ዝወርዶም ዜጋታት ንምሕካም ዝግበር ስራሓት ከይጸብጻብና’ዩ። ክንክን ቅድመ-ሕርሲ ዘድልየን ኣደታት፡ ዓጸቦ ዝወረዶም ህጻናት፡ ክታበት ዝጽበዩ ቈልዑ... ኵላቶም እዚኣቶም መሰረታውያን ግን ህጹጻት ጠልባት’ዮም።” ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ዝጀመረ፡ ቀዳመይ እብረ ናይቲ ብኣፍ ንዝውሰድ ክታበት ሸሮኽ፡ ካብቲ ዝተተለሞ 4 ሚልዮን፡ ንፍርቂ ጥራይ’ዩ ተባጺሑ። እቲ ካልኣይ ዙር ክታበት ኣዝዩ ወሳኒ ብምዃኑ፡ ተመሳሳሊ ውሕስነት ከም ዘድሊ እተን ኣፈኛ የመልክታ። ውድብ ጥዕና ዓለም ስራሓቱ ብምዕማም እኹል ቀረብ ክታበትን ንዕኡ ዘድሊ መዝሓሊን የድልዮ። ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ምቍራጽ ኤለትሪክ ግን እዚ ስራሕ ኣመና ከም ዘጸግም እቲ ውድብ ይገልጽ። ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ ንሰራሕተኛታት ጥዕና ብዘጓንፎም ዘሎ ምፍርራሓት’ውን እቲ ውድብ ከምቲ ዝደልዮ ሓገዝ ክገብር ከም ዘይከኣለ ኣፍሊጡ። ኣብ ክልል ትግራይ ዝርአ ዘሎ ሰፊሕ ጉድለት ማእዛታት መግቢ፡ ካብቲ ሻቕሎት ፈጢሩ ዘሎ’ዩ። ኣብ ፈለማ ክልተ ሰሙናት ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ፡ 458 ህጻናት ብስእነት ማእዛታት ዘለዎ መግቢ ተጠቒዖም ኣብ ሕክምና ምዕቋቦም እተን ወሃቢት ቃል ፋደል ቻይብ የመልክታ። “ህጻናት ብጉድለት ማእዛታት መግቢ ክሳቐዩ እንከለዉ፡ ንኸም በዓል ዓሶን ንፍዮን ዝኣመሰሉ ሕማማት ብቐሊሉ’ዮም ዝጥቅዑ። ስለዚ ከኣ እዚ ንህጻናት ናይ ሞት ፍርዲ ምዃኑ’ዩ። ቅድሚ ሕጂ ነዚ ዝከናኸና 92 ማእከላት ጥዕና ነይረናና፣ ሕጂ ግን 23 ካብኣተን ጥራይ’የን ዝሰርሓ ዘለዋ። ምስዚ ዘሎ ሽግራት ሕጂ 200 ማእከላት ጥዕና የድልያ።” ቅድሚ ትሽዓት ኣዋርሕ፡ ፈደራልዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንክልል ትግራይ ንምቍጽጻር መጥቃዕቲ ጀሚሩ። መንግስቲ በይንኣዊ ናይ ምቍራጽ ተጻብኦታት ስጉምቲ ኣብ ዝኣወጀሉ ድማ ሓይልታት ትግራይ ንርእሰ-ከተማ መቐለ ተቖጻጺሮማ። ኣብ ከምዚ ዝመስል ዘይርጉእ ኵነት፡ ስራሓቱ ክቕጽል ከም ዘጸግሞ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር። ትካላት ጥዕና ዓንዮም፡ መሳርሒታት ተዘሚቱ፡ ስእነት መሰረታዊ ቀረባት ኣብ ዘለወሉ እቲ ሽግር ከም ዝዛይድ ከኣ መግለጺ’ቲ ውድብ ይውስኽ። እቶም ደሞዞም ዘይክፈሉን ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ዝወርዶም ሰራሕተኛታት ጥዕና’ውን ኣብ ምዱብ ስራሖም ስለ ዘየለዉ ተወሳኺ ሽግር’ዩ ኰይኑ ከምዘሎ ተሓቢሩ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%91%E1%8C%B8%E1%88%AD-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8B%AD-%E1%89%80%E1%88%A8%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%A8%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5982382.html"} {"headline":"ቃለ-መጠይቕ ምስ ኣባላት ጋንታ ኤርትራ ተሳተፍቲ ሴካፋ ባህርዳር","content":"ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብአን ኣብ ስፖርት ሴካፋ ዝሳተፋ ዘለዋ ትሸዓተ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ከተማ ባህርዳር ውድድራተን ቀጺለን ኣለዋ። ኤርትራን ኢትዮጵያን ምትራፈን ኣረጋጊጸን ኣለዋ። ብኻልእ ወገን፥ ኣብ ውድድራት ሴካፋ ሃትሪክ ዝሰርሐ ፈላማይ ተጻዋታይ ብምዃን ታሪኽ ዝሰርሐ ኤርትራዊ መንእሰይ ዓሊ ሱሌማን፥ ምስ ጋንታ ባህርዳር ክጻወት ኣፈናዊ ስምምዕ ፈሪሙ'ሎ። ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ድማ ንጉጅለ ስፖርት ኤርትራ ፍሉይ ኣቀባብላን እንግዶትን ከምዝገበረላ'ውን ትማሊ ኣብ ዜናና ተገሊጹ'ዩ። ብዛዕባ'ዚን ካልእን ምስ ክልተ ኣባላት ጉጅለ ኤርትራ ዝተኻየደ ዕላል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8C%8B%E1%8A%95%E1%89%B3-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%B0%E1%88%B3%E1%89%B0%E1%8D%8D%E1%89%B2-%E1%88%B4%E1%8A%AB%E1%8D%8B-%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%AD%E1%8B%B3%E1%88%AD\/5981153.html"} {"headline":"ወሃቢ ቃል ሕ\/ሃ ኤርትራዊያን ስደኛታት ኣብ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ኣለው ኢሉ","content":"ናይ ሕቡራት መንግስታት ሰበስልጣን ወኪል ስደተኛታትክልል ትግራይ ኣብ ዝርከቡ ክልተ መዕቖቢ ስደተኛታት ተቐርቂሮም ዝርከቡ ኣስታት 24,000 ኤርትራዊያን ስደተኛታትኣብ መንጎ ተዋጋእቲ ጉጅለታት ተበኣኢሱዎ ብዝቐፀለ ውግእ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዝርከቡ ገሊፆም። ኣብ ትግራይ ከባቢ ማይፀብሪ ሓይሉ ብዝቐፀለ ውግእ ድሕነት ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓሩሽን ዝርከቡ ኣሽሓት ኤርትራዊያን ስደተኛታትሻቐሎት እናዓበየ እዩ። ትካላት ረድኤት ካብ 14 ሓምለ 2021 ኣ\/ፈ ጀሚሩ ክበፅሑዎ ኣይክኣሉን ይብል ፀብፃብ ወኪል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት።ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኩነታት ናይቶም ስደተኛታት ዘሻቕል እዩ ይብል። ወሃቢ ቃል UNHCR ባባር ባሎች ኣባላት ዕጡቓት ጉጅለታት ናብቶም መዕቖቢ ማእኸላት ሰሪጎም ኣትዮም ይብሉ።ኤርትራዊያን ኣብ ቀፃሊ ስግኣት ይነብሩ፣ምፍርራሕ የጋጥሞም ፣ካብ ሰብኣዊ ረድኤት ድማ ተበቲኾም ኣለው ኢሎም። ‘’ኣብ ቀረባ ማዕልቲ ካብ መዕቖቢ ማእኸል ማይ ዓይኒ ዘሰንብዱን እሙናትን ፀብፃባት ረኺብና ኣለና’’ ዝበሉ ንሶም ’’ኣብ ውሽጢ እቲ መፅለሊ ብዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ባእታታት እንተወሓደ ሓደ ስደተኛት ተቐቲሉ ኣሎ።እዚ ዳሕረዋይ ሞት 14 ሓምለ ካብ ዝተቐተለ ካሊእ ተወሳኺ እዩ’’ኢሎም። ንቶም መቕተልትታት ኣየነዎት ዕጡቓት ጉጅለታት ሓላፍነት ከምዝወስዱ ከምዘይፈልጡ ገሊፆም።ግን ብረት ዝሓዙ ሰባት ኣብ ውሽጢ እተን ክልተ ማእኸላት ከምዝንቀሳቐሱ እሙን ፀብፃብ በፂሑና ኣሎ ኢሎም። UNHCR ንከባቢያዊ ሰበስልጣናትን ናይ ኢትዮጵያ ወኪል ስደተኛታትን ድሕነት ናይቶም ስደተኛታት ከረጋግፁን ትካላት ረድኤት ናብተን ማእኸላት ክበፅሑ ክፈቕዱሎምምሕፅንታ የቕርብ ኢሎም ባሎች። ‘’መወፅኢ ዝሰኣኑ ስደተኛታት ህፁፅ ህይወት ኣድሕን ረድኤት ክረኽቡ ኣለዎም።ፅሩይ ዝስተ ማይ ይፅንቀቕ ኣሎ።ጥምየት ክውን ሓደጋ እዩ።ንኽልቲኦም ናይ መወዳእታ ረድኤት ዝተኸፋፈለ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ እዩ።ንሓደ ወርሒ ጥራሕ እዩ ተዋሂቡዎም’’ኢሎም። ባሎች ኣብ ቀረባ ብኣንፈት ምብራቕ ትግራይ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ቀረባ ኣብ ዝተኻየዱ ወታደራዊ ግጭታትንኣሽሓት ስደተኛታት ኣመዛቢሉ ኣሎ ኢሎም።ካብ መንጉኦም ኣስታት 55,000 ኤርትራዊያን ስደተኛታት ይርከቡዎም።ኣብ ጥቓ እቶም ስደተኛታት ዝነብሩሉ ከባቢ ወታደራዊ ረፅሚ ይካየደ ስለዘሎ ንደሕንነቶም ዘሻቕህል እዩ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A2-%E1%89%83%E1%88%8D-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B-%E1%8B%88%E1%8B%B2%E1%89%96%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%8A%A2%E1%88%89\/5981035.html"} {"headline":"ግዳያት መጥቃዕቲ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ዝዀኑ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ክልል ትግራይ","content":"ኣብ መዓከራት ስደተኛታት ክልል ትግራይ ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ቀንዲ ተጠቃዕቲ ኰይኖም ኣለዉ። መሰኻኽር ዓይኒን ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራትን ከም ዘመልክቱዎ፡ መንበሪ መዓስከራት እቶም ስደተኛታት ገሊኡ ተደምሲሱ፡ በቶም ነቲ ከባቢ ዝቈጻጸሩ ተማዕደውቲ ሓይልታት ድማ ግዳይ ቅትለት፡ ዓመጽን ዝምታን ይዀኑ ምህላዎም ተፈሊጡ። ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ብዅሉ ኣካላት ግዳይ ዝዀኑ ዘለዉን ሓጋዚ ዘይብሎምን እቶም ስደተኛታት ምዃኖም ጸብጻባት ካብቲ ቦታ ይሕብሩ። ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ክወርዶም ዝጸንሐ በብይኑ መጥቃዕታት ጸብጺቡ ኣሎ። መዝሓሊ ነድሪ ክልቲኡ ኣንጻር ሓይልታት ምዃኖም ስደተኛታት ይጠርዑ። ንድጋፍ ሰራዊት ፈደራል ዝመጹ ሓይልታት ኤርትራ፡ ንስደተኛታት ኣጐሳቒሎም፡ ጨዊዮም ወሲዶም፡ መዓስከራት’ውን ከም ዘዕነዉ ይሕበር። ብወተሃደራት ኤርትራ ሰፊሕ ዕንወት ከም ዝወረዶም ሓይልታት ትግራይ’ውን፡ ድሒሮም፡ ተረፍ-ነድሮም ናብቶም ስደተኛታት ከም ዘውጽእዎ ገለ ካብቶም ስደተኛታት ይገልጹ። እቲ ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ፡ ኣስታት 50-ሽሕ ዝገመቱ፡ ካብ ምልኪን ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝሃደሙ፡ ስደተኛታት ኣብ ክልል ትግራይ ተዓቚቦም ምንባሮም ይፍለጥ። ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ኣርባዕተ መዓስከራት ክነብሩ እንከለዉ፡ ካልኦት ኣስታት 42-ሽሕ ዝገመቱ ድማ ኣብ ካልእ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተዘርጊሖም ዝነበሩ’ዮም። ክልተ ካብተን መዓስከራት ስደተኛታት ኣብ ፈላሚ እዋን’ቲ ኲናት ድሕሪ ምፍራሰን፡ ደሃይ’ቶም ኣብኣተን ተዓቚቦም ዝነበሩ ስደተኛታት የሎን። ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝገበሩዎ መጥቃዕቲ፡ ንመዓስከራት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም የእትዮመን ኣለዉ። ካብ ነበርቲ ስደተኛታት መዓስከር ዓዲ-ሓሩሽ ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ከም ዝሓበሩዎ፡ ሓይልታት ትግራይ ልዕሊ 10 ዝበጽሑ ስደተኛታት ጨዊዮም፣ ናብ ገዛውቲ ብምእታው ድማ ሞባይላትን ካልእ ቀረባትን ዘሚቶም። ሓደ ስሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተ ስደተኛ፡ ከምኡ ዝመስል ዝምታ መዓልታዊ የጋጥም ምህላዉ የመልክት። ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ጨንፈር ኢትዮጵያ፡ ኣን ኮንትረ፡ ነቲ ዝፍጸም ዘሎ በደላት ኣትሪራ ኰኒና ነይራ። እታ ኮሚሸነር ኣብ መግለጺኣ፡ ብዛዕባ ሞት ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ድሕሪ ምሕባራ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ግን ብፍርሒ ተሸቝሪሮም ናብ ዝኸዱዎ ሓርቢቱዎም ከም ዘሎ ኣመልኪታ። ተኸታታሊ ጉዳያት ስደተኛታት ኢትዮጵያ’ውን ነቲ ፍጻመ “ጅሆ ከም ምሓዝ” ክብል ገሊጹዎ። ሓይልታት ክልል ኣምሓራ፡ ዳግም መሬት ንምምላስ ንብዙሓት የዕጥቑሉ ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ እቲ መዓስከር ኣብ ተኣፋፊ ቦታ’ዩ ዘሎ። ከም ሓበሬታ ኣብ ዓዲ-ሓሩሽ ዝርከቡ ስደተኛታት’ውን ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብቲ መዓስከር ኣጽዋር ከዚኖም ኣለዉ። ሓላፊ ጉዳያት ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ፍሊፖ ግራንዲ ነቲ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ዝተራእየ ማእሰርቲ “ኣማኢት” ኤርትራዊያን ኣብ ሽረን ካልእ ቦታታን ብትሪ ኰኒኑ። ብመሰረት መግለጺ ግራንዲ፡ ካብቶም ተቐናቐንቲ ሓይልታት፡ “ምስ ኣንጻር ወገን ምድንጋጽ ኣለኩም” ብዝብል ምስምስ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት መጭወይቲ፡ ማእሰርቲን መጥቃዕቲን ከም ዝወረደ ቤት-ጽሕፈቱ ጭቡጥ ሓበሬታ ረኺቡ’ዩ። እቲ ጸብጻብ እቲ ዓመጻት ኲናት ካብ ዝጀመረሉ ወርሒ ሕዳር ኣትሒዙ ክርአ ምጽናሑ ይውስኽ ። ሓይልታት ትግራይ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ወሪዱ ዝተባህለ ግፍዒ ብምዅናን፡ ንሳቶም ግን ኣካሉ ከም ዘይኰኑ፡ ብሓሙስ መግለጺ ኣውጺኦም። ነዚ ጉዳይ ዝምልከት ንወሃብ-ቃል ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንምርካብ ግን ኣይተኻእለን። ሃለዋት’ቶም 9,200 ዝበጽሑ፡ኣብ መዓስከራት ሕጻጽን ሽመልባን ዝነበሩ ኤርትራውያን ዛጊት ኣይተፈልጠን። ኣብ ወርሒ ሕዳር ኲናት ድሕሪ ምጅማሩ፡ እተን መዓስከራት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ’የን ኣትየን። ዳሕራይ ሰራዊት ኤርትራ ምስ ምንስሓቦምን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓይልታት ትግራይ ድሕሪ ምእታወንን ድማ፡ ናይ ሕነ ምድፋይ ተርእዮ ከም ዝነበረ ነበርቲ ይሕብሩ። ብሰንኩ 10 ኤርትራውያን ካብቲ መዓስከር ውጽእ ኣብ ዝበለ ቤተ-ክርስትያን ተቐቲሎም። “ኣዚና ስለ ዝፈራሕና ነቲ መዓስከር ገዲፍናዮ ሃዲምና። ሚሊሻ ትግራይ ግን ተኸቲሎምና” ይብል ኣብ መዓስከር ሕጻጽ ዝነበረ ሓደ ስደተኛ። “ምስ ኣርከቡና ቦምባ ደርብዮምልና። ኣነ ዝፈልጦም ሰባት እኳ ሽዑ ተቐቲሎም። ሰራዊት ኤርትራ ስለ ዘጥቅዖም ሕነ ክፈድዩ ዝደለዩ ይመስሉ።” ካልእ ኤርትራዊ ስደተኛ’ውን ተመሳሳሊ ፍጻመ ከም ዝረኣየ ሓቢሩ። ዝባን ገደና ኣብ ዝብሃል ከባቢ ካብ 40 ክሳብ 60 ዝበጽሑ ምስኡ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዝተቐትሉ’ውን ካልእ ስደተኛ ይነግር። ብመሰረት ካልእ ናይ ዓይኒ ምስክር ድማ ምስኡ ዝነበሩ ኣስታት ዓሰርተ ዝዀኑ መጓዕዝቱ፡ ብዕጡቓት፡ ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ። “ኣብ ህይወተይ ከምኡ ፈሪሐ ኣይፈልጥን፡” ይብል እቲ ስሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተ ስደተኛ። ነብሶም ከድሕኑ ዝሃደሙ ስደተኛታት፡ ብሓይልታት ትግራይ ተኣኪቦም ናብ መዓስከር ሕጻጽ ከም ዝምለሱ’ዮም ኰይኖም። ብመሰረት ሓበሬታ’ቶም ስደተኛታት እቲ ዝኸፍአ እዋን ድሕሪኡ ዝሰዓበ’ዩ: “ወርሒ ዝኸውን ዝብላዕን ዝስተን ኣይነበረን። ቆጽሊ ሸምጢጥና እናበላዕና ኢና ተሳሊና፡” ይብል ። ብዙሓት ከም ዝጠቕሱዎ፡ ሓይልታት ትግራይ ንመዓስከር ሕጻጽ ኣብ ታሕሳስ ድሕሪ ምቍጽጻሮም፡ ናይ ስደተኛታት መግቢን ካልእን መንዚዖም። ኣብ ሽመልባ ዝነበሩ’ውን ተመሳሳሊ ዛንታ’ዮም ዝነግሩ። ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ኣብ እዋን ኲናት፡ 16 ስደተኛታት ከም ዝተቐትሉ የምልክቱ። ብሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተገብረ ዳህሳስ፡ እቲ ዝተባህለ ሞት 16 ስደተኛታት ደኣ ይረጋገጽ እምበር፡ ፈጸምቱ መን ምዃኖም ግን ምፍላይ ኣይተኻእለን።ነቲ መጥቃዕቲ “ብዕጡቓት ወገናት” ዝተፈጸመ ክብል ድማ ይገልጾ ። ኣብ ወርሒ ጥሪ ሰራዊት ኤርትራ ንመዓስከር ሕጻጽ ድሕሪ ምቍጽጻሮም፡ ነቶም ኣብኡ ዝጸንሑዎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ንኤርትራ ክምለሱ’ዮም ነጊሮሞም። “ሰራዊት ኤርትራ፡ ብመገዲ ሸራሮ ኣቢልና ንኤርትራ ክንከይድ ሓቢሮምና። ኣብ ሸራሮ ምስ በጻሕና ኣብ ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ክንስቀል ምስ ነገሩና፡ ኣነ ኣምሊጠ፡” ይብል ሓደ ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ስደተኛታት። ካልኦት ኣሽሓት ኤርትራውያን ድማ ብእግሮም ናብ ኤርትራ ክጓዓዙ ከም ዝተገደዱ መሰኻኽር ይገልጹ። ካብቲ ሃዲመምሉ ዝመጹ ጨቋኒ ስርዓት፡ ዝበኣሰ ከይስዕቦም’ውን ስለ ዝፈርሑ፡ ገሊኣቶም ድሮ ካብ ኤርትራ ሃዲሞም ናብ ትግራይ ተመሊሶም ኣለዉ። ኣሶሴይትድ ፕረስ ነዚ ብዝምልከት ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ንሕቶኦም ከምዘይመለሰ ይገልጽ። ሕጂ ኣብ አዲስ አበባ ዘሎ ኤርትራዊ ስደተኛ ከም ዝሕብሮ፡ ወተሃደራት ኤርትራ፡ ነቶም ስደተኛታት ክወጹ ድሕሪ ምእዛዞም፡ ላምባ ነስኒሶም ኣብ ሕጻጽ ዝነበረ ገዛውቲ ከቃጽሉዎ ብዓይኑ ከም ዝተዓዘበ ይገልጽ። ካብ መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ስደተኛታት ብሰራዊት ኤርትራ ተጨዊዮም ከም ዝተወስዱ ንኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሮም። ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ 7,300 ኣቢሎም ዝግመቱ ኣብ ሽመልባን ሕጻጽን ዝነበሩ ስደተኛታት ናብ ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ግዒዞም’ዮም። ሕጂ ኲናት መሊሱ በርቲዑ፡ ሓይልታት ትግራይ ቦታታቶም ኣብ ዘምልሱሉ ዘለዉ እዋን ከኣ ውሕስነት እዞም ስደተኛታት ኣብ ዝኸፍአ ኣሎ። ሓደ ስደተኛ ካብ መዓስከር ዓዲ-ሓሩሽ ኣብ ዝለኣኾ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ቴለፎን፡ ብስእነት መግቢ፡ ዋሕዲ ቀረባትን ከምኡ ድማ ብሓይልታት ትግራይ ቀጻሊ መጥቃዕታት ይወርዶም ከም ዘሎ ልኢኹ። “ስለ ፈጣሪ ካብዚ ክንወጽእ ሓግዙና፡” ድማ ይብል። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%83%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8B%80%E1%8A%91-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%89-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/5980824.html"} {"headline":"መግለጺ ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ","content":"ዋና ኣዛዚ’ቲ ሰራዊት ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ሓይልታት ትግራይ “ወፍሪ ኣደታት ትግራይ” ተባሂሉ ብዝተሰየመ ወፍሪ መጥቃዕቲ ኣብ ሰለስተ ግንባራት ተዓዊቱ ኢሎም። እቶም ኣዛዚ ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ፡ ሰራዊቶም ምስ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊን ሚሊሻን ዝተፈላለዩ ክልላት፡ ኣብ ቆቦ፡ ዓፋር ብተወሳኺ’ውን ዓደ-ርቃይ ግንባራት ተዓዊቱ ኢሎም። እቶም ጀነራል“ኣብዚ ሕዚ እዋን ንሰራዊት ትግራይ ጠጠው ዘብል ጭቡጥ ሓይሊ የሎን፡” ኢሎም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%8B%9B%E1%8B%9A-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%8C%E1%89%B0%E1%8A%93%E1%88%8D-%E1%8C%80%E1%8A%90%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%89%B3%E1%8B%B0%E1%88%B0-\/5979882.html"} {"headline":"ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ጉባኤኡ ኣብ ከተማ መቐለ አካይዱ","content":"ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ፡ ድሕሪ ሸሞንት ኣዋርሕ፡ ቀዳም ሓምለ 17,2013፡ ኣብ ከተማ መቐለ ጉባኤኡ ኣካይዱ። ኣብቲ ጉባኤ፡ መራሒ ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ጸብጻብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕን ትልሚ እዋን ክራማትን ኣቕሪቦም። ዶክተር ደብረጽዮን“ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ክፍጸም’ዩ ተባሂሉ ዘይግመት ግፍዒ ዋላ እንተ ወረደ፡ እቲ ህዝቢ ነዚ ተጻዊሩ ብምቅላስ ዓቢ ዓወት እናሓፈሰ ይርከብ፡” ኢሎም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8C%89%E1%89%A3%E1%8A%A4%E1%8A%A1-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/5979873.html"} {"headline":"'ህዝብታት ኣምሓራን ኤርትራን ዘይበታተኽ ናይ ስነ-ልቦና ሓድነት ዝሃነጹ`ዮም'  ኣቶ ኣገኘሁ ተሻገር","content":"ህዝብታት ኣምሓራን ኤርትራን ዘይበታተኽ ናይ ስነ-ልቦና ሓድነት ዝሃነጹ`ዮም ክብል ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ኣገኘሁ ተሻገር ገሊጹ። ኣቶ ኣገኘሁ ተሻገር፡ ህዝብታት ኣምሓራን ኤርትራን ኣብ ዝጎረባብትሉ ወልቃይትን ጠገዴን ሑመራን ሓቢሮም ዝነብሩ ህዝብታት ብምዃኖም ሓድነቶም ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ንኽሕይል ክንሰርሕ ኢና ኢሉ። ኣብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ማእከላይን ምብራቕ ኣፍሪቃ(ሴካፋ) ትሕቲ 23 ዓመት ትሳተፍ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንምፍናው ኣብ ዝተዳለወ ናይ ድራር እንግዶት ዝተዛረበ ኣማሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ኣገኘሁ ተሻገር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝመጸ ለውጢ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዝምድታታት ክልቲአን ሃገራት ብምትዕርራይ ንሓድነትን ሕውነትን ህዝብታቶም ከሐድሱ ምኽኣሎም ጠቒሱ ። ኣቶ ተሻገር ብባህሊ፡ ብታሪኽን ሃይማኖትን ሓደ ዝኾኑ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብፍላይ ንዝሓለፈ 30 ዓመታት ብግጉይ ናይ ፖለቲካ ትረኻ ተፈላልዮም ምጽንሖም`ውን ገሊጹ`ሎ። ኣብቲ እዋን፡ መራሒሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣቶ ዳንኤል ዮውሃንስን ተጻወትን፡ ናይ ምስጋና ዘረባ ዘስምዑ ክኾኑ ከለዉ፡ ርእሰ-ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ብወገኑ፡ ንፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ህያብ ምልኣኹ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ባህርዳር ሓቢራ`ላ። ነቲ ስፖርታዊ ሸነኹ ዝምልከት ዜና፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ምድበን ድሕሪ ምትራፈን፡ ሴካፋ ኣብ ዝሰርዖ ናይ ደረጃ ግጥም፡ 1-1 ድሕሪ ምፍልላየን ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብፍጹም ቅላዕ፡3-2 ምዕዋታ፡ ምስ `ታ ጋንታ ዝተጉዓዘ ጋዜጠኛ ስፖርት ኤርምያስ ገብረልዑል ሓቢሩ'ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%A0%E1%89%B3%E1%89%B0%E1%8A%BD-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%88%8D%E1%89%A6%E1%8A%93-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%83%E1%8A%90%E1%8C%B9-%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%8A%98%E1%88%81-%E1%89%B0%E1%88%BB%E1%8C%88%E1%88%AD\/5979722.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ንሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝድግፍ ሰልፊ ተኻይዱ","content":"ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ንሰራዊት ምክልኻል ፅድግፉ ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻይዶም።ኣብ ኩለን ጣቢያታት ከተማ ድሬድዋ ዝተሳተፋሉ ሰልፊ ትማሊሰንበት ተኻየዱ ኣሎ።ህወሓት ንሰሜን እዚ ኣጥቒዑ ህፃናት እውን ንትሕቲ ዕድመ ቆልዑት ንውግእ ኣሰሊፉ ኢሎም ዝንቐፉን ንጅግንነት ሰራዊት ምክልኻል ዝነኣዱን ከተንቲባ እታ ከተማ ኣሕመድ መሓመድ ቡህ ናይቲ ሰልፊ ዕላማ እዚ ጥራሕ ከይኮነስ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሴን ሻድሻይ ዙር ሃገራዊ ምርጫ ብሰላም ምዝዛሙን ምኽኒያት ብምግባር እዩ ኢሎም። ናይ ድሬዳዋ ደቂ ኣንስትዮ ፌደረሽን ኣዶወንበር ወይዘሮ ቢፍቱ ኣባስ ኣብቲ ሰልፊ ንኣዴታት ትግራይ ክብላ ኣብ ዘስምዕኦ መደረ ትማሊ ብሽግር ክትነብራ ዝገበረክን‘’ኣሸባሪ ጁንታ’’ኢለን ዝፀውዕኦ ክቃወምኦ ‘’ንሕና ናይ ድሪዴዋ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ፌደራሽን ኣባላት’’ ፃውዒትና ነቕርብ ኣለና ኢለን። ናይ ድሬድዋ ምምሕዳር ህፃናት ፓርላማ ኣፈጉባኤ ህፃን ሩታ ታከለ ህፃናት ንውትድርና ምጥቃም ብምኹናን ዝምልከቶም ኣካላት ንህፃናት ትኽክለኛ ሓበሬታ ብሓላፍነት መንፈስ ክህቡ ሓቲታ። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑት ኣብ ስልጠና ይኹን ኣብ ውግእ ከምዘየሰለፈ ብምሕባር ጋዜጠኛታት ይኹኑ ካልኦት ዓለምለኸ ኣካላት ናብ መሰልጠንን ወታደራዊ ዓውድን መፂኦም ክሪኡ ንዕድም ኢሉ ኣሎ። ንናይ ድሬድዋ ተነሓናሕቲ ውድባት ብምውካል መደረ ዘስምዑ ናይ ኢዜማ ናይ ድሬድዋ ሓላፊ ኣቶ ዮናስ ጥግነህ ንናይታ ሃገር ሰላምን ‘’ኣሸበርቲ’’ኢሎም ንዝተውዕዎምን ንምምካት ካብኦም ዝድለ ኩሉ ከምዘበርክቱ ኣብቲ መድረኽ መደረ ኣስሚዖም። ኣብቲ ሰለፊ ዝተንፀባረቑ ጭርሖታት ንሰራዊት ምክልኻል ዝድግፉን ንወሓት ዝኹንኑን ጥራሕ ከይኮኑስ ንቁጠባዊ ዝሕታለ ከተማ ድሬድዋ ህወሓት ተሓታቲ ዝገብሩ እዮም ይብል ፀብፃብ ወኪልና ኣዲስ ቸኮል። ተመሳሰልቲ ሰልፍታት ቅድም ክብል ኣብ ኣዲስ ኣበባን ሃዋሳን ዝተኻየደ ክኸውን ከሎ ኣብ ኣዳማ፣ጎንደርን ካልኦትን ከተማታት ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበትን ተኻይዱ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8B%B5%E1%88%AC%E1%8B%B3%E1%8B%8B-%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%8B%B5%E1%8C%8D%E1%8D%8D-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1-\/5979661.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ክልል ኣምሓራ መንእሰያት ክኸቱ ይጽውዕ ኣሎ","content":"ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ኣቶ ኣገኘሁ ተሸጋር ብሰንበት ኣብ ዝገበሮ ጻውዒት፡ “ኵሉ መንእሰይ” ብረት ኣልዒሉ ኣንጻር’ቲ ብሓይልታት ትግራይ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ክኸትት ጸዊዑ። ፕረዚደንት እቲ ክልል ኣገኘሁ ተሸጋር፡ ሓይልታት ትግራይ ንኻብ ትሽዓተ ክልላት ዝተዋጽኡ ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ’ዮም ዘጥቅዑ ዘለዉ ክብል ገሊጹ። እዚ ናይ ክተት ጻውዒት፡ ኲናት ትግራይ ሸሞንት ኣዋርሕ ኣብ ዘሕለፈሉ እዋን’ዩ ዝካየድ ዘሎ። ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ኣገኘሁ ተሻገር፡ ብቴለቪዥን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ንዅላቶም መንእሰያት፡ ዕጡቓትን ቅድሚ ሕጂ ዘይዓጠቑን፡ እንተስ ካብ መንግስቲ ወይ’ውን ካብ ውልቃዊ ብረት ተሰኪሞም፡ ኣንጻር ህወሓት ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ክሳተፉ እጽውዕ፡” ክብል ተዛሪቡ። ካብ ወገን ህወሓት ግብረ-መልሲ ንምርካብ፡ ንኣፈኛ እቲ ውድብ ጌታቸው ረዳ ምርካብ ኣይተኻእለን። ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት’ዩ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲን ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ክዕብልል ዝጸንሐ ህወሓትን ኲናት ጀሚሩ።ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን፡ ንርእሰ-ከተማ መቐለ ድሕሪ ምቍጽጻሩ፡ ፈደራል መንግስቲ ምዕዋቱ ደኣ ይግለጽ እምበር፡ ኲናት’ሲ ቀጺሉ’ዩ። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ድማ ሓይልታት ህወሓት፡ ንመቐለን ካልኦት ቦታታት ትግራይን ተቘጻጺሮም። ዝሓለፈ ሰሙን ሓይልታት ትግራይ ገስጋሶም ብምቕጻል ብኽልል ዓፋር መጥቃዕቲ ፈጺሞም። ከም ኣገላልጻ እቶም ኣዘዝቲ፡ እቲ ብኽልል ዓፋር ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ ነቶም ምስ ወተሃደራት ፈደራላዊ መንግስቲ ኰይኖም ዘጥቅዑ ዘለዉ ሓይልታት ኣምሓራ ዒላማ ዝገበረ’ዩ። ክልል ዓፋር፡ ንወደብ ጅቡቲ ምስ ኣዲስ-ኣበባ ዘራኽብ፡ መገዲ-ባቡር ዝሓልፎ፡ ቍልፊ መስመር’ዩ። ብቐዳም፡ ኣዛዚ ሓይልታት ኣምሓራ ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ማሞ፡ እቲ ኲናት ናብ ክልል ዓፋር ልሒሙ ከም ዘሎ ተዛሪቡ ነይሩ። ብመሰረት ጸብጻባት መራኸቢታት ውሽጢ ሃገር፡ ብርጋዴር ተፈራ፡ እቲ “ኣሸባሪ” ኢሉ ዝጸውዖ ሓይልታት ህወሓት ናብ ክልል ዓፋር ኣጥቂዑ ንኢትዮጵያውያን የበሳብስ ኣሎ ክብል ኣመልኪቱ ነይሩ። ብመሰረት ቃል’ቲ ኣዛዚ ድማ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ፡ ምስ ካልኦት ሓይልታት ተሻሪኹ ይዋጋእ ኣሎ። እዚ ኲናት ካብ ዝጅምር ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሞይቶም፡ ልዕሊ 2 ሚልዮን ዜጋታት ተመዛቢሎም፡ 5 ሚልዮን ዝግመቱ ድማ ተጸበይቲ ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ ኮይኖም ኣለዉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8A%B8%E1%89%B1-%E1%8B%AD%E1%8C%BD%E1%8B%8D%E1%8B%95-%E1%8A%A3%E1%88%8E\/5979375.html"} {"headline":"'ሓጽቢ ሕዳሰ፥ ንኢትዮጵያውያን ናብ ሓደ የምጽኦም'ዶ\/ር ኣረጋዊ በርሀ","content":"ዋና ዳይሬክተር ምውህሃድ ተሳትፎ ህዝቢ ግድብ ህዳሴ ዶ\/ር ኣረጋዊ በርሀ ሓጽቢ ሕዳሰ፥ ንኢትዮጵያውያን ናብ ሓደ የምጽኦም ኣሎ ኢሉ ። ዶ\/ር ኣረጋዊ በርሀ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፥ 2ይ ደረጃ ምምላእ'ቲ ሓጽቢ፥ ነቶም ኤለክትሪክ ዘይብሎም 65 ሚልዮን ኢትዮጵያውያንን ነቶም ካብ ድኽነት ክወጹ ዝምነዩ ኩሎም- እንተላይ ጎረባብቲ ሃገራት -ዓቢይ ተስፋ ምዃኑ ተዛሪቡ። ንህንጸት ግድብ ህዳሴ፥ ዛጊት ካብ ህዝቢ ልዕሊ 16 ቢልየን ብር ከም ዝተዋጽአ'ውን ሓቢሩ'ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8C%BD%E1%89%A2-%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%B0-%E1%8A%95%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%8B%A8%E1%88%9D%E1%8C%BD%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%88%A8%E1%8C%8B%E1%8B%8A-%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%88%80\/5976930.html"} {"headline":"ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ተፈጺሞም ዝተባህለ መጥቓዕቲን ግብረ መልሲ ሓይልታት ትግራይን","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ብሓይልታት ትግራይ ሓደጋ ይበፅሖም ኣሎ ክብል ትካል ስደተኛታትን ተመለስቲ ስደትን ኢትዮጵያ ሓቢሩ። ነዚ ኣመልኪቱ መግለፂ ዘውፀኡ ሓይልታት ትግራይ ድማ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ህዝቢ ትግራይ ጨፍጫፍ ዝፈፀሙ ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኤርትራ'ውን ግፍዓዊ ተግባራት ፈፂሞም ኢሎም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%9E%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/5977152.html"} {"headline":"ሰራሕተኛታት ረድኤት ዝሓዘት ነፋሪት ሕ\/ሃ መቐለ ምእታዋ ተገሊጹ","content":"ጥምየት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣብ ዘንጸላለወሉ እዋን፣ ንሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤት ዘሳፈረት ነፋሪት ሕቡራት ሃገራት ንፈለማ ጊዜ ትማሊ ሓሙስ ኣብ መቐለ ከምዝዓለበት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ነፋሪት ሕቡራት ሃገራት፣ በረራ ነፈርቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ካብ ዝቋረጽ ንደሓር ኣብ መቐለ ንፈለማ ጊዜ ዝኣተወት ነፋሪት እያ። ዳይሬክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ጨንፈር ምብራቅ ኣፍሪቃ ሚካኤል ዳንፈርድ \"እታ ነፋሪት ኣብ መቐለ ብብምእታዋ ዓብዪ ቅሳነት ተሰሚዑና ኣሎ። ኣብ’ቲ በረራ ዝነበሩ ኩላቶም፣ንኣዝዩ ኣገዳሲ ስራሕ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ 2.1 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ምብጻሕ ዝሕግዙ እዮም\" ክብል ገሊጹ። ተመሳሳሊ በረራታት ሕቡራት ሃገራት ናብ ክልል ትግራይ ኣብ ሰሙን ክልተ ጊዜ ከምዝህሉ’ውን እቲ ዜና ተሓቢሩ'ሎ። ኣብ’ቶም ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ዝነበሩ ዕንቅፋታት ስለዝተወገዱ፣ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ደቡባዊን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ንልዕሊ 730,000 ህዝቢ፣ ኣብ ከተማ ዛና ድማ ናብ 40,000 ህዝቢ ሰብኣዊ ረድኤት ከባጽሕ ከምዝኻኣለ ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ’ዘን ዝቅጽላ መዓልታ ይብል ፕሮግራም መግቢ ዓለም፣ ናብ ተወሳኪ 80,000 ህዝቢ ሰሜን መዕራብ ትግራይ ረድኤት ከብጽሕ መደብ ከምዘለዎ፣ እንተኾነ፣ ክዙን መጠን ረድኤት ይጽንቀቅ ስለዘሎ ካልኣይ ዙር ረድኤት ንምዕዳል ከምዘይኽእል ኣጠንቂቁ። እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ክሳብ ዝመጽእ መወዳእታ ታሕሳስ ኣብ ትግራይ ህይወት ንምድሓንን ንምቅጻልን ዘኽእሎ 176 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልዮ ኣዘኻኺሩ ኣሎ ፕሮግራም መግቢ ዓለም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%A8%E1%8B%B5%E1%8A%A4%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%8B%98%E1%89%B5-%E1%8A%90%E1%8D%8B%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8B-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5977033.html"} {"headline":"ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን አባላት ካቢነ ክልል ትግራይን ክሲ ምምስራቱ ኣፍሊጡ","content":"ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ወሰንቲን ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ካቢነ ክልል ትግራይን ኣባላት ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን ክሲ ምምስራቱ ኣፍሊጡ። ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ \"ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝለዓለ ተራ ዝነበሮም ትካላት ትእምት፣ ናይ ውልቅን መንግስቲን ኣመራርሓ፣ ኣባላት ኮምሽን ምርጫ ክልል ትግራይ፣ ኣብ’ቲ ዘይሕጋዊ ዝበሎ ምርጫ ክልል ትግራይ ዝተሳተፉ መራሕቲ ተቃወምቲ ፓርቲታትን ኣባላት ህወሓት ዝነበሩ ውልቀ ሰባትን ናይ ዓቃቢ ሕጊ ክሲ ቀሪብዎም ኣሎ\" ይብል። ዝተጠቅሱ ክስታት፣ ሕጋዊ ዘይኮነ ምርጫ ብምክያድ ከምኡ'ውን ንመንግስቲ ብዘይሕገመንግስታዊ ኣገባብ ንምልዋጥ ኢሎም ናይ ትግራይ ወትሃደራዊ ኮማንድ ዝብል መስሪቶም ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ገበን ፈጺሞም ዝብሉ ከምዝርከብዎም እቲ መግለጺ ይሕብር። ነቲ ካብ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ዝቀረበ ክሲ ኣመልክቶም ርእይትኦም ዝሃቡና ወካሊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ፍስሃ ኣስገዶም ‘እዚ ባጫ እዩ’ ክብሉ መሊሶም። ርእይቶ ኣምባሳደር ፍሰሃ ኣስገዶም ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%89%83%E1%89%A2-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A2%E1%8A%90-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%B2-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%89%B1-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5977004.html"} {"headline":"ደቅና ምለሱልና ኢሎም ወለዲ ኣብ ዩኒቨርስታት መቐለ ይምሃሩ ናይ ዘለው ተምሃሮ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዘለው ዩኒቨርስትታት ዝርከቡ ደቆም ካብቲ ክልል ንምውፃእ ‘’ዝኣተዎ ቃል ኣየኽበረን’’ክብሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከቡ ወለዲ ናይቶም ተምሃሮ ንሕቡራት መንግስታት ወቒሶም።ብርክት ዝበሉ ወለድን ስድራን ብ ፊት ንፊት ቤት ፅሕፈት ናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ ኣፍሪካ ሕብረት ኮሚሽን ተኣኪቦም ደቅና ብቕልጡፍ ምለሱልና ክብሉ ሓቲቶም። \\nኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ወለድን ኣባላት ስድራን ናይቶም ተምሃሮ ደቅና ምለሱልና ክብሉ ሓቲቶም።ሕቡራት መንግስታት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከቡ ዩኒቨርስትታት ዘለው ተምሃሮ ንምምላስ ቃል ኣትዩ ነይሩ ይብሉ እቶም ወለዲ። ወይዘሮ ፍረህይወት ገብረህወትን ኣቶ ቢኒያን ኣስራትን ናይ ሕቡራት መንግስታት ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሓተቶ ናይ ነዳዲን ካልኦትን ቀረባትን ዝተመለሰሉ ምዃኑ ኣረጋጊፅና ኣለና ይኹን እምበር እቲ ውድብ ሓላፍነቱ ኣይተዋፅአን ይብሉ። ንሰለስተ ግዜ ናብ ቤት ፅሕፈት ሕቡራት መንግስታት መፂአን ፍታሕ ከምዝሓተታ ዝገለፃ ኣብ መቐለ ሆስፒታል ዓይደር ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ውላደን ከምዘለወን ዝገለፃ ወይዘሮ ገነት ሮባ ህፁፅ መፍትሒ ክወሃበን ሓቲተን። ‘’ዩኒቨርስቲ መቐለ ኣብ መቐለ ብዘሎ ሓፈሻዊ ኩነታት ድሕሪ 20 ሓምለ ቀለብ ስለዘይብለይ ኣነ ሓላፍነት ኣይወስድን ኢሉ ኣሎ’'ዝበላ እዘን ወላዲት ‘’ደቅና እንታይ ዕድል ኣለዎም?’’ ኢለን ይሕታ።’’ኣምላክ ይመስገን ትሕቲ እግዚኣብሄር ህዝቢ ትግራይ እዩ።ሕዚ እውን ህዝቢ ትግራይ ምስ ተበተነ እውን ሓቒፉ ከምዝሕዘልና ንፈልጥ ኢና’’ ኢለን። ናይቶም ወለዲ ተወካሊ ኣቶ ዳንኤል ኣስራት ሕቡራት መንግስታት ንቶም ተምሃሮ ከም መትሓዣ ብምጥቃም ካብ ስምምዕነት ወፃኢ ቅድመ ኩነታት ከምዝቐመጠ ብምግላፅ ሕዚ ኣብቲ ውድብ ተስፋ ከምዝቖረፁ ገሊፆም። ካብ ሕቡራት መንግስታት መልሲ ከምኡ እውን ሪኢቶ ምንስቴር ሳይንስን ላዕለዋይ ትምህርትን ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይተዓወተን። ሕቡራት መንግስታት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሰብኣዊ ረድኤት ንምብፃሕ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተቛረፀ ሓይሊ መብራህትን ስልክን ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት ክኽፈት ብተደጋጋሚ ይሓቱ። ወለዲ ናይቶም ተምሃሮ ንደቆም ሓገዝን ሓለዋን ይገብረሎም ኣሎ ንዝበሉዎ ህዝቢ ትግራይ ኣመስጊኖም፣ እዚ ክቕፅል እውን ምሕፅንታ ኣቕሪቦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/parents-protes-in-addis-ababa-demanding-the-return-of-their-children-from-tigray-universities\/5976992.html"} {"headline":"ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንሰልፊ አካይዶም","content":"ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ምዝዛሙ ብምድጋፍን መንግስቲ ሽብርተኛ ኢሉ ዝመደቦ ህወሓት ከፊቱዎ ንዝበሎ መጥቓዕቲ ንምኹናን ትማሊሓሙስ ሰላማዊ ሰልፊኣካይዶም። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ 6ይ ሃገራሪ መረፃ፣ካልኣይ ዙር ምምላእ ግድብ ህዳሴን እዋናዊ ጉዳይ ክልል ትግራይ ንፖለቲካዊ ሃዋህው ኢትዮጵያን ንሪኢቶ ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ኣብ ምቕያር ይርከብ ኢሎም ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ:: ኣሽሓት ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ መንግስቲ ኣሸበሪኢሉ ንዝኸሰሶ ሓይልታት ትግራይ ብምቅዋምንንሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብምድጋፍን ኣብመስቀል ኣደባባይ ሰልፊ ኣካይዶም። ኣብቲ ሰልፊ መደረ ዘስምዓ ምኽትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ብፍቕሪ እምበር ብሓይሊ ዘይንብርከክ ህዝብና ሒዝና ብሓድነት ንዝገጥሙና ፈተናታት ብዓወት እናሰገርናዮ ኢና ኢለን። ብኻሊእ ዜና ሻድሻይ ሃገራሪ መረፃ፣ካልኣይ ዙር ምምላእ ግድብ ህዳሴን እዋናዊ ጉዳይ ክልል ትግራይ ንናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ሃዋህውን ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ሪኢቶን ኣብ ምቕያር ይርከብ ኢሎም ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ። ኣብ ትግራይ ምስ ዘሎ ኩነታት ብዝተኣሳሰረ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ትፅቢት ካብ ዝገብሩዎ ተፃራሪ እዩ ኢሎም ኣምባሳደር ዲና።ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ግጭት ኣብ መንጎ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ብዘሎ ዘይምርድዳእ ከይኮነስ ናይ መላእ ኢትዮጵያ ጉዳይ እዩ ኢሎም። ምኽትል ቀዳማይ ምንስቴርን ናይ ወፃኢ ጉዳይ ምንስቴርን ደመቀ መኮነን ምስ ኣብ ሕብረት ኣውሮፓ ፍልይቲ ወኪል ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካይዱዎ ዝርርብ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ተፅዕኖ ካብ ምፍጣር ክቑጠብ ምግልፆም ኣምባሳደር ዲና ገሊፂም። ኢትዮጵያ ምስ ኣመላልኣ ማይን ምምሕዳርን ግድብ ህዳሴ ንሓንሳብን ንመወዳእታን ዝብሃል ስምምዕ ፈፂማ ኣይክትቕበልን እያ እውን ኢሎም። ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘቕርቡ ኣካላት ናይ ነፈርቲ በረራ ከምዝፈቐዱ ዘዘኻኸሩ ኣምባሳደር ዲና በረራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ጀሚሩ ኣሎ ኢሎም።ብዓፋር ኣቢሉ ብመካይን ንምቕራብ ዝግበር ፃዕሪ ህወሓት ኢሎም ብዝፀውዕዎ ናይ ትግራይ ሓይልታት‘’መጥቓዕቲ’' ምስንኻሉ እቶም ወሃቢ ቃል ገሊፆም።ብዛዕባ እዚ ክሲ ካብ ሓይልታት ትግራይ ዝተወሃበ መልሲ የለን። ኣባል ኣመራርሓ ምምሕዳር ትግራይን ወሃቢ ቃል ማእኸላይ ኮማንድ ትግራይን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ክልል ዓፋር ንዝርከቡ ሓይልታት ፍሉይ ሓይሊ ኦሮሚያ ዒላማ ዝገበሩ መጥቓዕታት ምፍፃሞም ንሮይተርስ ገሊፆም። ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ብልዝብ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ክግበር ይፅውዕ።መንግስቲኢትዮጵያ በይናዊ ቶኽሲ ጠጠው ንምባል ምእዋጁ ስዒቡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ዩናይትድ ስቴትስ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ኣብ ዝሓለፉ ቅኒያት ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዚ ኣጋጣሚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ህልቂት ንምፍታሕ ክጥቀመሉ ኣለዎ ኢለን።ግን ሓይልታት መንግስቲ ካብ መቐለ ከንሳሕቡ ከለው ንኣብያተ ፅሕፈት ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ብምዝራፍ ናይ መራኸቢ ናውቲ ኣዕኒዮም፣እዚ ተቐባልነት ዘይብሉ ተግባር ስለዝኾነ ዝተሰረቐ ንብረት ክምለስ ኣለዎ ኢለን። ‘’ናብ ትግራይ ንምእታው ወሳኒ ዝኾነ ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ድልድላት ምዕናዎም እውን ፈሊጥና ኣለና’’ ዝበላንሰን ‘’ብመንገድን ብኣየርን ንምብፃሕ፣ቴሌኮምኒኬሽን፣ሓይሊ መብራህቲ፣ባንኪ፣ቀረብነዳዲ ረድኤት ንምቕራብ ኣገደስቲ እዮም።እዞም ኩሎም ተዓፅዮም እዮም። ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ዝተፀገሙ ሰባት ክበፅሑ ኣፀጋሚ እዩ።እንተድኣ ተረጋጊፁ እዞም ኩሎም ተግባራት ንሰብኣዊነት ዝተገብረ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ምልክታት ከይኮኑስ ምኽባብ እዩ’’ ኢለን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ምንቅስቓሳት ሰብኣዊ ቀረባት፣ ሸቐጣትን ናይ ሰባት ምቅንስቓስን፣ናብ ትግራይን ኣብ መላእ ትግራይን ብዘይዓንቀፍቀፍ ክፈቅድ ኣለዎ እውን ኢለን።ልዕሊ ኩሉ ድማ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ንደሊ ኢና ኢለን።’’ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ’’ኢለን ዝፀውዕኦም ሓይልታት ትግራይ ሓዊሱ ኩሎም ወገናት ሓቃዊ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ክገብሩ ክደራደሩ ኣለዎም ኢለን።ትርጉም ዘለዎ ስምምዕ ቶኽሲ ጠጠው ምባልን ምሉእ ምውፃእ ወታደራት ኤርትራን ናይ ኣምሓራ ክልላዊ ሓይልታትን ዘይተደረት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ የኽእል እዩ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ናይውሽጥን ወፃእን ዶባት ንሕገመንግስቲ ብዝፃረርብሓይሊ ክልወጥ የበሉን ኢለን። ሕብረት ኣውሮፓ እውን ዝተኣወጀ በይናዊ ቶኽሲ ጠጠው ምባል ‘’ቶኽሲ ጠጠው ምባል ኣይኮነን’’ኢሉዎ ኣብ ዝሓለፉ ቅኒያት።ናይ ሕብረት ኣውሮፓ ኮሚሽነር ኣተሓሕዛ ቅልውላው ጃነዝ ሌናርቺች ኣብ ዝሓለፉ ቅኒያት ኣብ ዝሃቡዎ ሪኢቶ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣወጆ በይናዊ ቶኽሲ ጠጠው ናይምባል ስጉምቲ ‘’ቶኽሲ ጠጠው ምባል ኣይኮነን የግዳስ ምኽባብን ጥምየት ከም ናይ ኵናት መሳርሒ ምጥቃምን እዩ’’ኢሎም’'።ኣብ ትግራይ ዓፀቦ 900,000 ንዝግመቱ ሰባት ክዉን ሓቂ እዩ።ካልኦት ሓደ ሚሊዮን ሰባት ድማ ንዓፀቦ ሓደ ስድሪ ተሪፉዎም ኣሎ።እዚ ዓፀቦ እዚ ምሉእ ብምሉእ ሰብ ሰራሕ እዩ፤እዚንዝገብሩ ድማ ውርደት እዩ’’ ኢሎም ሌናርቺች ብምውሳኽ ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/thousands-have-gatherd-in-addis-ababa-to-support-the-defense-forces-of-the-country\/5976990.html"} {"headline":"ነበርቲ ከተማ አዲስ አበባ ምምላእ ግድብ ህዳሴ ንምድጋፍን መንግስቲ ብህውሓት ዝተኸፈተ ንዝበሎ መጥቓዕቲ ዝቃወም ሰልፊ አካይዶም","content":"ብብዙሓት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ: ምዝዛም ምምላእ ግድብ ህዳሴ ንምድጋፍን ፡መንግስቲ ብኣሸባርነት ዝመደቦ ህወሓት ከፊትዎ ንዝበልዎ መጥቃዕቲ ንምኹናን ሎሚ ሓሙስ ሰልፍ ወጺኦም ውዒሎም። እቶም ተሰለፍቲ፡ ዓለም-ለኸ ማሕበረሰብ ንተግባራት ህወሓት እናረኣየ ስቅታ መሪፁ ክብሉ`ውን ከሲሶም። ሓይልታት ትግራይ ንዝተታሕዘ መሬት ትግራይ ምሉእ ብሙሉእ ክሳብ ዝልቀቅ ኩናት ክንቅጽል ኢና ዝብል ብወሃቢ ቃሉ ጌታችው ረዳ ምግላፁ ይዝከር። ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ኸኣ ዛጊት ዘሎ በይናዊ ምቁራፅ ተፃብኦ ምዕፃው ደኣ እምበር ከምቲ ስሙ ንሰብኣዊ ሓገዝ ተባሂሉ ዝተገብረ ኣይኮነን ብልዝብ ናይ ሓቂ ምቁራፅ ተፃብኦ ክግበር ምጽውዕዖም ይዝከር። ኣብቲ ናይ ሎሚ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ምኽትል ከንቲባ ወ\/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ፡ መደረ ኣስሚዐ ኔራ፡ ብዛዕባ’ቲ ሰልፍን ምላሽ ዝምልከቶም ኣካላትን ጽባሕ ብሰፊሑ ክንምለሶ ኢና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%8A%A5-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%8C%8B%E1%8D%8D%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%89%A5%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%8D%88%E1%89%B0-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%8E-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%89%83%E1%8B%88%E1%88%9D-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%83%E1%8B%88%E1%88%9D\/5975602.html"} {"headline":"ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ኣስታት 70 ሽሕ ሰባት ካብ መነባብርኦም ምፍንቓሎም ገሊጹ","content":"ኽልላዊ መንግስቲ ዓፋር፡ 'ጁንታ' ኢሉ ዝጸውዖም ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ሓረስቶት ዓፋር ብዝወሰድዎ መጥቃዕቲ 70 ሺሕ ዝግመት ህዝቢ ምዝንባሎም ኣፍሊጡ። ኣርባዕተ መዕቆቢ ካምፕታት ብምድላው ድማ ከስፍሮም ይሰርሕ ከምዘሎ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ሓደጋ`ቲ ኽልል መሓመድ ሑሰን ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ። ብኻልእ ወገን ኣብ ዂናት ዓወት ተጎናጺፍና ዝብል መግለጽታት ይወጽእ ኣሎ። ዳይሬክተር ህዝባዊ ርክባት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሌ\/ኮ ጌትነት ኣዳነ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት ምክልኻል፡ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ኣለሌን ሱሉላን ከምኡ`ውን ኣብ ቆቦ፡ ኣሸባሪ ኢሉ ንዝጸውዖ ጉጅለ ህወሓት ከም ዝደምሰሰ ኣፍሊጡ። ነቲ ኮሌኔል ዝጠቐሰ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ብስእሊ ኣደጊፉ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ህወሓት ኣብ ውግእ ኣእትዩዎም ዝተባህሉ ሕጻናት፡ ብሰራዊት ምክልኻል ምምራኾም ይገልጽ። ብኻልእ ወገን፡ ድምጺ ወያነ፡ ኮማንድ ፖስት ትግራይ ኢሉ ዝገለጾ ኣካል ጠቒሱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ኣውላዕ ዝተባህለ ከባቢ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ዓወት ከምዝተጎናጸፈን ወተሃደራት ከም ዝማረኸን ገሊጹ`ሎ። ንዝተመዛበሉ መፅለሊ ኣርባዕተ ጣቢያታት ይሰርሑ ከምዘለው ዝጠቐሱ እቶም ሓላፊ ንዝተወሰኑ ተመሳበልቲ ሓገዝ ከምዝተውሃበ ገሊፆ ም። ብመንፅር ክብደት ናይቲ ፀገም ብናይቲ ክልል መንግስቲ ፃዕሪ ጥራሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ምብፃሕ ስለዝኸብድ ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝርከቡ ዓለምለኸ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ከምዝተዘራረቡ ጠቒሶም። ናይ ማይን ኣገልግሎታት ፅርየትን ሓገዝ ከምዘድሊ እውን ኣመልኪቶም። ዝተወሰኑ ተመዛበልቲ ናብ ካፕታት ምእታዎም ብምሕባር ሕዚ እውን እ ቲ ውግእ ብዘስዓቦ ተፅዕኖ ካብ ከባቢኦም ተመዛቢሎም ፈቖዶ ከባቢታት ዝተሓብኡ ኣለው ይብሉ። ብሰንኪ ሰብ ሰራሕን ተፈጥሮን ፀገማት ህዝቢ ዓፋር ብፍላይ ድማ እንስሳት ብምርባሕ ዝናበሩ ኣንፀላሊዩዎም ዘሎ ሓደጋ ኢትዮጵያዊያን ተሓባቢሮም ከድሕኑዎም ፃውዒት ኣቕሪቦም ኣለው። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብቲ ውግእ ይሳተፉ ዘለው ኣካላት ዓወት ረኺብና ክብሉ መግለፂ ኣውፂኦም ኣለው። ንዳይረክተር ርክባት ህዝቢ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነ ዝጠቐሰ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ሰራዊት ምክልኻል ፌደራል ኣብ ክልል ዓፋር ኣለሌ ስሉላን ቆቦን ኣሸባሪ ኢሉ ንዝፀውዖም ሓይልታት ትግራይ ከምዝደምሰሰ ገሊፁ። እቶምኮሎኔል ኣብ ክልል ዓፋር ከባቢ ኣለሌ ሱሉላ ‘’ሜይደይ’’ ብዝብል ሽም ዝፍለጥ ሓይሊ ናይ ‘’ሽብር’' መጥቓዕቲ ብምፍፃሙ ምሉአ ብምሉ ተደምሲሱ ምባሎም ኢዜኣ ፀብፅቢ ኣሎ። ብቆቦ ዝተኸፈትኒ ናይ ሽብር ኢሉ ዝፀውዖ መጥቓዕቲ ንምክልኻል ብዝወሰድኩዎ ስጉምቲ እቲ ጉጅለ ምሉእ ብምሉእ ተደምሲሱ ኢሉ። ህወሓት ንውግእ ኣዋፊሩዎ ንዝበሎም ትሕቲ ዕደም ቆልዑት ሰራዊት ኢትዮጵያ ምምራኹ እውን ኢዜኣ ፀብፂቡ ኣሎ። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ትሕቲ ዕደመ ቆልዑት ወታደራት ኣብ ውግእ ይሳተፉ ዝብል ክሲ ብምንፃግ ሓይልታት ትግራይ ትሕቲ ዕድመ ወታደራት ንዝኽልክል ዓለምለኸ ፕሮቶኮል ከምዘኽብር ሓቢሩ።’’ዋላ ሓደ ቆልዓ ኣብ ስልጠና ይኹን ኣብ ሓይልታት ትግራይ ኣይተሳተፈን’’ ኢሉ።ጋዜጠኛታት፣ ሰብኣዊ ትካላትን ካልኦት ዓለምለኸ ተዓዘብትን ናብ ማእኸላት መሰለጠኒ ይኹን ኣብ ዓውዲ ብኣካል መፂኦም ብዓይኖም ክሪኡ ንዕድም ኢሉ መግለፂ ክልላዊ መንስግቲ ትግራይ። ብኻሊእ ወገን ወታደራዊ ኮማንድ ፖስት ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ዓፋር ዝነበረ ናይ ‘’ፀላኢ’’ ሓይሊ ደምሲሰ ኢሉ። ክልተ ሓይልታት ኮማንዶ መበል 23 ክፍለ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ሓደ ብርጌድ ፍሉይ ሓይሊ ኦሮሚያ ከምኡ እውን ሓደ ፍሉይ ሓይሊ በጦሎኒ ክልል ዓፋር ምሉእ ብምሉ ተደሚሲሱ ኣሎ ይብል እቲ መግአፂ።ሓደ ኮሎኔል ዝርከቦም 1,200 ወታደራት ተቐቲሎም፣ ልዕሊ 600 ቆሲሎም፣ካብዚ ብተወሳኺ ሓደ ኮሎኔል ዝርከቡዎም 100 ወታደራት ተማሪኾም ዝተረፉ ድማ ኣብ በረኻ ተበታቲኖም ኢሉ።ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ከባቢ ዞብል ዓሪዱ ነይሩ ዝበሎ ናይ ኣምሓራ ፍሉይ ሓይሊ ብምድምሳስ ነቲ ከባቢ ተቖፃፂረዮ ኣለኹ ዝበለ መግለፂ ሓይልታት ትግራይ ብርክት ዝበሉ ኣፅዋራት ማሪኸ ኣለኹ፤ እቲ ውግእ ቀፂሉ ኣሎ ኢሉ። ከባቢ ቆቦ ግን ሎሚ ኣንጻራዊ ሰላም ሰፊንዎ ምውዓሉ ናብ ቆቦ ደዊሉ ከረጋግጽ ከም ዝኸኣለ- ወኪልና ሓቢሩ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-70-%E1%88%BD%E1%88%95-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%90%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%8A%95%E1%89%93%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5975563.html"} {"headline":"ክልላዊ መንግስቲ ሶማሌ ንህውሓት ክድግፉ ጸኒሖም ዝበሎም 28 ሰባት ኣብ ቐይዲ ምእታው ገሊጹ","content":"ክልላዊ መንግስቲ ሶማሌ ን'ኣሸባሪ' ኢሉ ዝጸወዖህወሓት ብዝተፈላለየ መንገድታት ክድግፉ ጸኒሖም ዝበሎም 28 ውልቀሰባት ምስ ንብረቶም ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ከምዘእተወ ኣፍሊጡ። ምኽትል ኮሚሽነር ፖሊስ`ቲ ኽልል መሓመድ ዓሊ ሓሰን፡ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብቶም ኣብ ቐይዲ ዝኣተው ገሊኦም ኣብ መርመራ ዘለዉ ካልኦት ድማ መርመራ ወዲኦም ናይ ክሲ ፋይል ዝተኸፍቶም`ዮም ኢሉ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባብታትን፡ ተወለድቲ ክልል ትግራይ ብዘይኣገባብ ይእሰሩ፡ ይከላበቱን ንግዶም ይዕጾን ኣሎ ኢሉ ኔሩ`ዩ። ምኽትል ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ሶማሌ ግን እቲ ከምኡ ዝብል ቅሬታ ንዓና ዝምልከት ኣይኮነን፡ ኣብቲ ክልል ግን ሎሚ`ውን ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ ብሰላም ይንብሩ`ለዉ`ዮም ኢሉ። ንሱ ብተወሳኺ ፍሉይ ሓይሊ ሶማሌ ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ድሕሪ ምዝማቱ፡ ብሓደ ሓደ ተለኣኣኽቲ ህወሓት ዝበሎም ኣብ ልዕሊ`ቲ ፍሉይ ሓይሊ ሽም ናይ ምጥፋእ ወፍሪ ይካየድ`ዩ ድሕሪ ምባል ካብ ከምኡ ዓይነት ዘመተ ይቆጠቡ ዝብል መተሓሳሰቢ ኣቕሪቡ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8C-%E1%8A%95%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8B%B5%E1%8C%8D%E1%8D%89-%E1%8C%B8%E1%8A%92%E1%88%96%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%8E%E1%88%9D-28-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%90%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5975542.html"} {"headline":"መግለጺ ሚ\/ጉ\/ወጻኢ ኢትዮጵያ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ካልኣይ ዙር ምምላእ ግድብ ህዳሴን፡ ህልው ኩነታት ክልል ትግራይን፡ ንኣረኣእያ ማሕበረሰብ ዓለም እናቐየሮ ምምጽኡ ኣፍሊጡ። ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፡ ምስ ሃገራዊ ምርጫን ምምላእ ሓጽብን ብዝተሓሓዝ ኣብታ ሃገር ክፍጠሩ`ዮም ዝተባህሉ መዘዛት ብዘይምፍጣሮም፡ ንፖለቲካዊ ምሕደራ`ታ ሃገር ምኽንያት ምዃኖም` ይጠቅስ። ኣምባሳደር ዲና ምስ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ብዝተሓሓዝ፡ ነገራት ዓለም-ለኸ ማሕበረሰብ ካብ ዝተጸበዮ ብኣንጻሩ ምኻኑ`ውን ገሊጹ ። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ወጻኢ ደመቀ መኮነን፡ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ እቲ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ተጽዕኖ ካብ ምግባር ክቑጠብ ምዝኽኻሩ`ውን እቲ ወሃቢ ቃል ሓቢሩ`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/5975514.html"} {"headline":"ኣመሓዳሪ ክልል ሶማል ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ንህውሓት ዘይምኹናኑ ነቒፎም","content":"ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ጎንፂ ኣብ መንጎ ክልተ ክልላት ዝካየድ ዘሎ ዘይኮነስ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲን ንሶም \"ኣሸባሪ\" ክብሉ ዝፀውዑዎ ህወሓትን እዩ ክብሉ ኣመሓዳሪ ክልል ሶማሌ ሙስጠፌ መሓመድ ዑመር ተዛሪቦም። ንሶም ወሲኾም ማሕበረሰብ ዓለም ፌደራል መንግስቲ በይናዊ ምቁራፅ ተፃብኦ ኣዊጁ እናሃለወ ህወሓት ግን ውግእ ዘይምቁራፁ ክኹነን ዘይምኽኣሉ ነቂፎም ። ህወሓት ሕጂ'ውን በብክልሉ ምስሌናቱ ብምቅማጥ ወይ'ውን ንፌደሬሽን ብምፍርራስ ዕድላት ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ክውስን ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ፈፂሙ ዘይኸውን'ዩ ኢሎም። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ብኽልል ዓፋር ኣቢለን ናብ ትግራይ ረዲኤት መግብን ዝተፈላለዩ ሓገዛትን ሒዘን ይጉዓዛ ዝነበራ መኻይን ብምኽንያት ኣብቲ ኸባቢ ይካየድ ዘሎ ኲናት ክሕልፋ ከምዘይከኣላ ኮምሽን ሃገራዊ ምክልኻል ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ሓቢሩ። \"ንሕና ኣካል እቲ ፌደራል መንግስቲ ኢና ።እቲ ሓይሊ ከኣ ሕገመንግስቲ ከፍርስ ዝደሊ ዘሎ ሓይሊ ምዃኑ ግልፂ እዩ ። ኣብዚ ሰሙን እንታይ ዓይነት ዕላማ ከምዘለዎም ግልፂ ይኸውን ኣሎ ። ንኽልል ዓፋር ኣጥቂዖም ኣለዉ ፤ጉዳይ ዓቅሚ ኮይኑዎም 'ምበር እንተኺኢሎም ናብ ክልል ሶማሌን ቤንሻንጉልን'ውን ሓሊፎም ከጥቅዑ ይደልዩ እዮም ። ስለዝኾነ ካብ ክልላት ዝሰገረ ምዃኑ ግልፂ እዩ ።ትማሊ ዝተመንዝዕዎ ስልጣን ሎሚ እንተዘይኣምለስኩ ፤ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣትየ ክውስን እንተዘይ ኪኢለ ኢትዮጵያ ኣይትረጋጋዕን ኢሉ ዝኣምን እዩ። ስለዝኾነ ኩላትና ተሓባቢርና ካብ ምምካት ዝሓለፈ ካልእ ኣማራፂ የብልናን ናይ ትማሊ ታሪክ ክምለስ ኣይንደልን።\" ንቅድመ ምድላው ስራሕቲ ሕርሻ ክጥዕም ተባሂሉ ፌደራል መንግስቲ በይናዊ ምቁራፅ ተፃብኦ ኣዊጁ ካብ ክልል ትግራይ ምውፅኡ ትኽክለኛ ውሳነ እዩ ኢሎም ዝኣምኑ ኣቶ ሙስጠፌ መሓመድ ይኹን'ምበር ህወሓት ነዚ ዕድል ብሓይሉ ዝረኸቦ ዓወት ኣምሲሉ ካልእ ኲናት ምክያዱ ጌጋ እዩ ይብሉ ።ኣብ ቀረባ ኣብ በዓል ራያ ፣ፀለምትን ክልል ዓፋርን ዝበሉ ኸባቢታት ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንሶም\"ኣሸባሪ\"እናበሉ ዝፅውዕዎ ህወሓት ዝቀስቀሶም እዮም ኢሎም። ይኹን እምበር መንግስቲ ሕጊ ምኽባር ኢሉ ዘካየዶ ወፍሪ ብተደጋጋሚ ተኹሲ ጠጠው ከብል ይሓቱ ዝነበሩ ማሕበረሰብ ዓለም ህወሓት እቲ ኲናት ናብ ካልኦት ክልላት ከሰጋግሮ እናረኣዩ ሱቅታ ምምራፆም ነቒፎም። ህወሓት ዝተፈላለዩ ዘይሰብኣዊ ገበናት ዘይፈፀመሉ ክልል የለን ዝበሉ ኣቶ ሞስጦፌ ቅድም ክብል ኣቶ ጌታቸው ረዳ ሕሳብ ከነወራርድ ኢና ምባሎም ጠቂሶም ዝወራረድ ዕዳ እንተሎ ህወሓት ዝያዳ ካልእ ዕዳ ኣለዎ ኢሎም። \"27 ዓመታት ንህዝቢ ክቀትል ዝፀንሐ ውድብ እዩ ። ኣብ ዕድመ ስልጣኑ ዘየመዛበሎ ፣ዘይደፈሮ ፣ዘይቀተሎ ናይ ኢትዮጵያ ብሄር ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን ። ኩሉ ክልል ክበሃል ይከኣል ስለዝኾነ ኣብዚ ሸሞንተ ኣዋርሕ ተበዲለ እየ እዩ ዝብል ዘሎ 27 ዓመት ክብድል ዝፀንሐ ውድብ እንታይ ዓይነት ሕሳብ እዩ ከወራርድ ዝደሊ ዘሎ ኣይርደኣንን።\" ህወሓት ሎሚ'ውን ከምቲ ቅድሚ 30 ዓመት ዝገበሮ ዕድል ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ኣነ እየ ዝፈልጠልኩም ዝብል ቅዋም እዩ ዘለዎ ዝበሉ ኣቶ ሙስጠፌ ሎሚ ግን እዚ ክከውን ኣይኽእልን ኢሎም። ንምምሕዳር ድሬዳዋ ሓዊሱ ኩለን ክልላት ፌደራል ሓይልታተን ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ይልእኻ ምህላወን ስዒቡ ትማሊ ኣዲስ ኣበባ ዝበፅሑ ፍሉይ ሓይሊ ሶማሌ'ውን ኣቀባብላ ተገይሩሉ። ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ጎንደር ዝተረኽቡ ኣመሓዳሪ ክልል ኦሮምያ ሽመልስ ኣብዲሳ \"ኣሸባሪ \" ክብሉ ዝፅውዑዎ ህወሓት ዝወለዖ ኲናት ኣብ ሓድነት ኢትዮጵያ ዘነፃፀረ ብምዃኑ ኢትዮጵያውያን ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ብምልዓል ክምክትዎ ከምዝግባእ ምዝራቦም ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢሩ። ኢዜኣ ወሲኹ መንግስትን ህዝብን ኦሮሚያ ናይ ኢትዮጵያ ሓደጋ ኣብዝኾኑ ጉዳያት ምስ ኣሕዋት ህዝብታት ኮይኑ መስዋእቲ ንምኽፋል ድሉዊ እዩ ምባሎም ገሊፁ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኮምሽን ምክልኻል ሓደጋ ብክልል ዓፋር ኣቢለን ረዲኤት መግብን ካልኦት ሓገዛትን ሒዘን ናብ ትግራይ ይኸዳ ዝነበራ መኻይን ኣብቲ ኸባቢ ይካየድ ብዘሎ ዂናት ምትእጉጓለን ሓቢሩ ።ኮምሽነር መምርሒ ስራሕ ሃገራዊ ስግኣት ሓደጋ ምትኩ ካሳ ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝበልዎ ኣብዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት መግብን ካልኦት ሰብኣዊ ሓገዛት ፅዒነን ናብ ትግራይ ይሓልፋ ዝነበራ 189 ዓበይቲመኻይን ነቲ ዘሎ ጥቅ፟ዓት ብምስጋእጠጠው ክብላ ተገዲደን እየን ኢሎም ። እቶም ኮምሽነር ነቲ መንግስቲ ካብ ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ካልኦት ለገስቲ ትካላትን ዝመፀ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ክልል ትግራይ ክበፅሕ ዘመዓራረዮ መንገዲ ንሶም \"ኣሸባሪ\" ክብሉ ዝፀውዑዎ ህወሓት ኣብ ክልል ዓፋር ዞባ 4 ወረዳ ፈንቲ ረሱ ያሎ ብዝኸፈቶ መጥቃዕቲ ዝነበረ መተሓላለፊ መንገዲ ምዕጻውን ምብፃሕ ረዲኤት'ውን ምትዕንቓፉን ይዛረቡ ። ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ሰመራ 115 ኪ.ሜ ርሒቑ ናብ ክልል ትግራይ መግቢ ሒዘን ይጉዓዛ ኣብ ልዕሊ ዝነበራ 10 ዓበይቲ መኻይን ሓደጋ በፂሑወን ክብል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ቅድሚ ትማሊ ምግላፁ ዝዝከር እዩ።ንግዚኡ ብምክንያት ፀጥታ እቲ ኸባቢ ረዲኤት ዝፀዓና መኻይን ከይንቀሳቀሳ ዝወሰነ ምዃኑን ቀንዲ መበገሲ እዚ ዕንቅፋት መን ምኳኖም ንምፍላጥ እውን ምስ ሰበስልጣናት እቲ ኸባቢ ይሰርሑ ምህላዎምገሊፁ። ኣብ ዓፋር ወረዳ ያሎ ዝነብሩ ኣርባሕቲ እንስሳ ዓፋር ከምዝበልዎ እቲ ውግእ ካብዝጅመር ዳርጋ ሓደ ሰሙን ከምዝኾኖን ብኸበድቲ ኣፅዋር ዝተሓገዘ ምኳኑን ይዛረቡ። \"ኩሉ ህዝቢ ተመዛቢሉ እዩ ።ናብ ጨፍራን ቦሪ ሁዋ ወረዳ ኣለሌ ተፈናቂሉ እዩ ። ስጋብ መዋሰኒ ኣምሓራ ተመዛቢሉ እዩ።እቲ ኲናት ኣዝዩ ከቢዱና እዩ ዘሎ።\" ኣቶ ኣሎ ዝተባህሉ ነባሪ በቲ ናብ ትግራይ ዘእቱ ከባቢ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ስዒቡ ብርክት ዝበሉ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ካብ መንበሪኦም ከምዝተመዛበሉን እቲ ኲናት ህዝቢ እቲ ኸባቢ ጥራሕ ዘጥቀዐ ኣይኮነን ይብሉ ። \"በዚ ኲናት ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ኣይኮነን ዝጉዳእ ዘሎ ኣብቲ ከባቢ ዝሎ ብኣምሓራ ኮነ ብኸባቢ ዓፋር ሰሜናዊ ዞባ ዘለዉ መዋሰኒ ከባቢታት ስልኪ የብሎምን ፣ ባንኪ የለን ን8 ኣዋርሕ ተዓፅዩ እዩ ዝርከብ እዚ ኸባቢ ዞባ 4 ዘሎ መንገዲ ናብ ትግራይ ዝቀረበ እዩ ። ንሱ እዮም ዓፅዮሞ ዝርከቡ ። ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ማሕበረሰብ ንጥምየት እዩ ዝቃላእ ዘሎ እዚ ድማ ሃገራዊ ጉድኣት እዩ:: \" ነበርቲ እቲ ኸባቢ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ዘሎ ኩነታት ተረዲኡ ክበፅሐልና ይግባእ ከምኡ'ውን ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያሓገዝ ክገብረሎም ፀዊዖም ።ብዛዕባ ተመዛቢሎም ዝተባህሉ ክፋላት ማሕበረሰብ ኮነ ሓፈሻዊ ኩነታት ፀጥታ እቲ ከባቢ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ክልልላዊ ምምሕዳር መንግስቲ ዓፋር ዝገበርናዮ ተደጋገምቲ ፈተነታታ አይሰለጠን።\"ኣሸባርን ጁንታን \"ክብል ንህወሓት ዝፀዎዖ መንግስቲ እቲ ክልል ኣብ ዞባ ረሱ ወረዳ ያሎ ኣብ ልዕሊ ኣርባሕቲ እንሰሳ ክልል ዓፋር መጥቃዕቲ ምኽፋቱ ምግላፁ ዝዝከር እዩ። ኣባል ኣመራርሓ መንግስቲ ትግራይን ውሃቢ ቃል ሓይልታት ኮማንድ ትግራይ ጌታቸው ረዳ ብዘይ ኣገባብ መሬትና ተወሪሩና እዩ ዝበልዎ መሬት ናጻ ካብ ምውፃእ ሓሊፉ ግዝኣት ናይ ምስፋሕ ኮነ ካልእ ኣጀንዳ ከምዘይብሉ እዮ ዝዛረቡ ። ከምኡ'ውን አብ ትዊተሮም \" ሓረስቶት ነናብ ዝመፁሉ ከባቢ ምምላስና ክንቅፅል ኢና ። ንሰራዊት ትግራይ ምምላስ ዘይከኣል ምኳኑ እናፈለጡ ሓረስቶት ዘዋፍሩ ዘለዉ ከእርነቡ ይግባእ ።ንሕና ምስ ጭቁን ህዝቢ ኣምሓራ ኮነ ህዝቢ ኦሮሞ ወይውን ምስ ካልኦት ህዝብታትን ሚልሻን ባእሲ የብልናን ። ባእስና ምስ ኣዴታት ትግራይን ህፃናት ትግራይን ተዘይጨፍጨፍኩ ኣይድቅስን ዝበሉ ሓይልታት እዩ ። ንሳቶም ንህዝብና ስግኣት ምዃኖም ስጋብ ዘየቋረፁ ስጉምትና ጦሮም ኣብ ዘልዓልሉ ቦታ ኩሉ ክቅፅል እዩ ክብሉ ፅሒፎም እዮም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%B3%E1%88%AA-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%8A%B9%E1%8A%93%E1%8A%91-%E1%8A%90%E1%89%92%E1%8D%8E%E1%88%9D\/5975379.html"} {"headline":"ናይ ኢትዮጵያ ኣመራርሓ ሓደጋን ስግኣትን ህወሓት መግቢ ጽዒነን ናብ ክልል ትግራይ ዝጉዓዛ መካይን መጥቓዕቲ ፈጺሙ ክብል ከሲሱ","content":"ብወገን ዓፋር ናብ ክልል ትግራይ ናይ መግቢ ረድኤት ሒዘን ይንቀሳቐሳ ኣብ ልዕሊ ዝነበራ መካይን ህወሓት ወታሃደራዊ መጥቓዕቲ ፈፂሙ ክብል ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ስግኣት ሓደጋ ኣመራርሓ ስራሕ ከሲሱ።ብኻልእ ወገን ኣብ ክልል ዓፋር ዞባ ኣርባዕተ ወረዳ ፈንቲ ረሱ ያሎ ዝጀመረ ውግእ ቀጺሉ ሓደ ሰሙን ከቑጽር ምቕራቡ ተሓቢሩ'ሎ። ህወሓት ነቲ ረድኤት ዝፀዓና መካይን ኣጥቒዑ ንዝብል ክሲ ዝሃቦ መልሲ የለን። ኣቶ ጌታቸው ረዳሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝዘርግሕዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ግን ሓይልታት ትግራይ ብዓወት ምግስጋሱ ቀፂሉ ኣሎ ካብ ክልላት ዝተፀውዑ ፍሉይ ሓይልታትን ናይ ኣምሓራ ገባራትን ናብ ዝመፅሉ ምምላስና ክቕፅል እዩ ኢሎም።’ ኣቶ ጌታቸው ረዳ\"ኣብይን ብርሃኑ ጁላን ንሰራዊት ትግራይ ጠጠው ከምዘይብሉዎም እናፈለጡ ሓረስቶት ክሃልቁ ካብ ምግባር ንድሕሪት ኣይብሉን። ፅልእና ምስ ናይ ኣምሓራን ዓፋርን ውፅዓት ህዝብታት ኮነ ምስ ሚልሻ ኣይኮነን ንኣዴታትን ህፃናትን ትግራይ እንተዘይወዲኦም ድቃስ ምስ ዘይመፅኦም ኣብይን ደመቀን እዩ፤... ንህዝብና ስግኣት ኮይኖም ክሳብ ዝቐፀሉ እቲ ስጉምቲ ብረት ኣብ ዘልዕልሉ ቦታ ክቅፅል እዩ’’ ኢሎም ። ብኻሊእ ወገን ኣማሓዳሪ ክልላዊ መንግስቲ ሶማሌ ኣቶ ሙስጠፌ መሓመድ ዑመር ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ይካየድ ዘሎ ግጭት ኣብ መንጎ ክልተ ክልላት ዘይኮነስ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን ‘'ኣሸባሪ’’ኢሎም ዝፀውዕዎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን እዩ ኢሎም ። ኣቶ ሙስጠፌ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ናይ ፌደራል መንግስቲ በይናዊ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ውሳነ ኣዊጁ ህወሓት ግን ውግእ ምቕፃሉ ኣይኮነነን ክብሉ ነቒፎም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%AD%E1%88%93-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8C%8D%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8C%BD%E1%8B%92%E1%8A%90%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8C%89%E1%8B%93%E1%8B%9B-%E1%88%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%99-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%A8%E1%88%B2%E1%88%B1\/5974229.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዛት ካብ ዝሓለፈ ሰነ ጀሚሩ ምምሕያሹ ወሃቢ ቃል ሕ\/ሃ ገሊጹ","content":"\"ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ ውሽጢ ትግራይ፣ ካብ ዝሓለፈ ሰነ ጀሚሩ ምምሕያሽ ከምዘርአየ፣ ካብ ትግራይን ናብ ትግራይን ዝግበሩ ምንቅስቃስ ግን ሎሚ’ውን ተዓጽዩ ከምዘሎ\" ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ፈርሃን ሃቅ ገሊጹ። ፈርሃን ሃቅ\"እዚ ዝተጠቀሰ ጸገም፣ ንተኽእሎ ሰራሕተኛታት ረድኤት፣ ቀረባት ንምምላእ፣ ሰራሕተኛታተን ንምውዳብን ወፍሪ ረድኤት ቀጻሊ ንምግባርን ንዝግበር ጻዕሪታት ኣተዓናቂፉዎ ኣሎ\" እውን ይብል ። ኣብ ውሽጢ ትግራይ፣ ቅድሚ ሎሚ ፈጺሙ ምብጻሕ ይከኣል ናብ ዘይነበረ ስፍራታት ምብጻሕ ከምዝተካኣለ ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ካብ 5.2 ሚልዮን ህዝቢ ናብ’ቶም 4 ሚልዮን፣ እዚ ማለት 75 ሚእታዊት ህዝቢ ትግራይ ምብጻሕ ተኻኢሉ'ሎ። እዚ ኣሃዝ’ዚ ኣብ ግንቦት 30 ሚእታዊት ጥራሕ እዩ ነይሩ። እንተኾነ፣ ብዓፋር ዝሓልፍ ጽርግያ ናብ ትግራይ፣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ክልልን ፌደራልን ስለዝርከብ፣ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘሎ ክዙን ረድኤት ይንኪ ከምዘሎ እቲ ዜና ይሕብር። ድሕሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስምምዑ፣ ዕዉት ፈተነ በረራ ንረድኤት ሕቡራት ሃገራት ዝሓለፈ ቀዳም ከምዝተፈጸመ ዝዝከር እዩ። ስሩዕ በረራ ካብ ጽባሕ ረቡዕ ክቅጽል እዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ'ውን ኢሉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9B%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%88%88%E1%8D%88-%E1%88%B0%E1%8A%90-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%AB%E1%88%B9-%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A2-%E1%89%83%E1%88%8D-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5973113.html"} {"headline":"ተኸተልቲ እምነት እስልምና ኤርትራን ኢትዮጵያ ንዒድ ኣል-ኣድሓ ጸንቢሎም","content":"መበል 1442 ዒድ ኣል ኣድሓ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታትን ገጠራትን ብዝተፈላለዩ ስነ-ስርዓታት ተኸቢሩ ውዒሉ። ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዓቢይ መስጊድን ካልኦት መሳጊድን ዝተኸብረ በዓል፡ ሙፍቲ ኤርትራ ሸኽ ሳሊም ኢብራሂም ኣል-ሙኽታር፡ ናይ ባርኾት ቃል ዘስምዑ ክኾኑ ኸለዉ፡ ብመሰረት ሓበረታ ትዊተር ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል እቲ ስነ ስርዓት ብውሱናት ተሳተፍትን ንመምርሕታት ኮቪድ 19 ዝተኸተለን`ዩ ኔሩ ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድማ እቲ በዓል ኣብ ስታድየም ዝተኻየደ ክኸውን ከሎ ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖትን ኣጋይሽን ዝተረኽብሉን ብድሙቕ ኣገባብ ዝተኽብረን`ዩ ኔሩ። ኣብ ጠቕላሊ ቤት ምኽሪ ጉባኤ እስልምና ኢትዮጵያ ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሙፍትን ሓጅ ዑመር እድሪስ፡ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ዓረፋ ናይ ቤተሰብ ሓድነትን ሓባራውነትን በዓል`ዩ ኢሎም። ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ናይ ኣደባባይ በዓላት ተሓሪምዋ ዝጸንሐት ኢትዮጵያ፡ ናይ ሎሚ ዒድ ግን ብፍሉይን ብድሙቕን ኣገባብ`ያ ኣኽቢራ። ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኣመንቲ`ዮም ኣብቲ ናይ ኣዲስ ኣበባ ኣከባብራ ዒድ ተረኺቦም ኔሮም። ኣብ ጠቕላሊ ቤት ምኽሪ ጉባኤ እስልምና ኢትዮጵያ ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሙፍትን ሓጅ ዑመር እድሪስ፡ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ብዛዕባ ትርጉም ዒድ ኣል ኣድሓ ከምዚ ክብሉ ኣብሪሆም፡\"ዒደል-ፈጥርን ዒደ ኣልድሓን ብብዙሕ ነገራት ይራኸቡ`ዮም፡ ብሶላት፡ብተክሊላ፡ ናብ ቦታ ሶላት ብምኻድ፡ ይመሳሰሉ`ዮም፡ ዒድ ኣልድሓ ዝፈልዮ ግን፡ ንግሆ ቅድሚ ሶላት ምብላዕ ዘይፍቀድ ምዃኑ`ዩ\" ዝበሉ ሓጅ ዑመር፡ ዓረፋ ናይ ቤተሰብ ሓድነትን ሓባራውነትን በዓል ምዃኑ`ውን ኣዘኻኺሮም። ኣብቲ በዓል ናይ ክብሪ ጋሻ ኮይኑ ዝተረኽበ ኣብ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ብምኽትል መዓርግ ምኽትል ከንቲባ፡ ኣካያዲ ስራሕ-ምምሕዳር ዝኾነ ኣቶ ጥራቱ በየነ፡ በዓል ዒድ ኣል ኣድሓ ፡ዓረፋ ፡ናይ ምትሕልላይን ምድግጋፍን በዓል`ዩ ድሕሪ ምባል ሙስሊም ሕብረተሰብ ንህንጸት ሓጽቢ ሕዳሰ ንዘበርከቶ ኣበርክቶ ምስጋና ኣቕሪቡ:: ሎሚ መዓልቲ ነዚ ክቡር በዓል ብኸምዚ ኣገባብ ተኣኪብኩም ክተኽብሩ ኸለኹም፡ እቲ በዓል ናይ ፍቕሪ፡ ናይ ሓቢርካ ምንባር፡ ከምኡ`ውን ሃገርና ኢትዮጵያ፡ ካልኣይ ዙር ምምላእ ግድብ ህዳሴ ዛዚማ፡ ብፍላይ ድማ ንስኻትኩም ኣመንቲ እስልምና፡ ሓጽቢ ሕዳሰ ናተይ`ዩ ብዝብል መንፈስ፡ ንኢትዮጵያ ዘለኩም ሓልዮትን ቆራጽነትን ዘርኣክምሉ ብምዃኑ፡ ኣብ ኩሉ ዓለማዊ መድረኽ ንዘርኣኽምዎ ኣበርክቶ፡ ነመስግን ኢሉ። ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መርበብ ሓበረትኡ ከምዝሓበሮ እቲ በዓል ብዘይ ዝኾነ ናይ ጸጥታ ሽግር ተፈጺሙ`ሎ ። ኣብ ኣምቦን ካልኦት ከባብታት ኢትዮጵያን`ውን ዓረፋ ብዝግባእ ምኽባሩ ወኪላትና ሓቢሮምና`ለዉ። ብኻልእ ወገን ካብ ናይ ኣስመራ ወኪልና ክንሰምዕ እንተዘይክኣልና`ኳ፡ ኣብ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኣብ`ቲ ዓቢይ መስጊድ ኣስመራ፡ ንመምርሕታት ምክልኻል ኮቪድ ብዝተኸተለ ኣገባብ ምኽባሩ ካብ ትዊተር ሚንስትሪ ዜና ክንፈልጥ ክኢልና`ለና፡ ነቲ ናይ ሶላት ስነስርዓት ዝመርሑ ሙፍቲ ኤርትራ ሸኽ ሳሊም ኢብራሂም ኣል-ሙኽታር፡ ምዃኖም`ውን ሓበረታ ሚንስተር ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣመልኪቱ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%89%B0%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%8A%A5%E1%88%9D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A5%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%88%9D%E1%8A%93-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8B%92%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8B%B5%E1%88%93-%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%89%A2%E1%88%8E%E1%88%9D-\/5972753.html"} {"headline":"ኣብ ኬንያ ንስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ዝሕግዝ ትካል ጽቡቕ ገስጋስ ይገብር ከም ዘሎ ኣመልኪቱ","content":"“ስደተኛ ጓል-ኣንስተይቲ” ካብ ዝብል ናይ እንግሊዘኛ ቃላት ኣዋሲቡ፡ “ረፉሺ” ዝብል ስያመ ዘለዎ፡ ኣሜሪካዊ ትካል ግብረ-ሰናይ፡ ንስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኬንያ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝህብ’ዩ። ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና እተን ኣዝየን ዝተሃስያ ኣካል ሕብረተሰብ ደቂ ኣንስትዮ’የን። ስለዚ እምበኣር’ዩ፡ እዚ ረፉሺ ዝተባህለ ትካል፡ ኣተኵሮኡ ኣብ ኬንያ ንዝነበራ ደቂ ኣንስትዮን ስደተኛታትን ብምግባር ዝሰርሕ ዘሎ። ካብ ናይሮቢ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ስፍራ፡ ኣስታት 20 ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ንትምህርቲ ኮምፕዩተር ክከታተላ ይርኣያ። ኣብ መንጎአን ካብ ሶማል ዝተሰደደት ጓል 20 ዓመት ፋርቱማ ጋራድ ትርከበን። ፋርቱማ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት’ያ፡ ኣብ ሃገራ ድሕሪ ዝወረደ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ፡ ሃዲማ ናብ ኬንያ መጺኣ። ሎሚ ብሳላ ግብረ-ሰናይ ትካል ረፉሺ ምስቶም ውጻእ-መዓት ስድራ ክትራኸብን ክትመሃርን ዕድል ረኺባ ኣላ። ፋርቱማ ብቓላታ፤“ኣብ እዋን ውሸባ ቴለፎን ተዋሂቡና ካብ ገዛና ንመሃር ኔርና። ምስ ረባሺ ድምጺ ጎረባብቲን ተደጋጋሚ ምቍራጽ መስመር ቴለፎንን፡ እቲ ትምህርቲ ምክትታሉ ምቹእ ኣይነበረን። ምሉእ ኣተኵሮ ምግባር ኣጸጋሚ ነይሩ። እቲ መምህር እንታይ ይብል ምንባሩ ንምስዓቡ’ውን፡ ብቴለፎን ቀሊል ኣይኰነን።” ብሰንኪ ዝህልወን ተጽዕኖ፡ ካብ ትምህርቲ ዝያዳ ዝበዅራ ደቂ ኣንስትዮ ብምዃነን፡ ነዚ ሃጓፍ’ዚ ንምምላእ፡ ረፉሺ ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ትምህርቲ ዝሕግዝ’ዩ። ክወርደን ዝኽእል ኣካላዊን ጾታዊን ዓመጻት ድጋፍ ንምሃብ እቲ ትካል’ውን ይሰርሕ’ዩ። ሓላፊ ትካል ረፉሺ ኣብ ኬንያ ዝዀነ ጆፈሪ ቲግ፡ ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንደቂ ኣንስትዮ ዝወርደን ዝነበረ በደላት ከም ዝበኣሰ ይገልጽ። እቲ ሽግር ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ዕጽፊ ምዃኑ ድማ ይውስኽ። ድኽነት ብዘስዕቦ ድፍኢት፡ ናብ ምንዝርና ክኸዳ ዓቢ ተኽእሎ ከም ዘሎ’ዩ ቲግ ይገልጽ። ትካል ረፉሺ እምበኣር፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ናይ ትምህርቲ መደባቱ፡ ንኣደታት ምስ ደቀን ውሕሰነት ኣብ ምሃብን መዕቆቢ ኣብ ምቕራብን ይነጥፍ። ኢትዮጵያዊት ደራ ኣንያንኛ ካብ ጓል ክልተ ዓመት ኣትሒዛ’ያ ምስ ስድራቤታ ኣብ ኬንያ ትቕመጥ ዘላ። ብሳላ ትካል ረፉሺ ሕልማ ሰሚሩስ ናይ ኮምፕዩተር ኣርቃቒት (ኮምፕዩተር ፕሮግራመር) ክትከውን ከም ዝኸኣለት ትሕብር። ብሰንኪ ሰንኮፍ ኣረኣእያ፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ሕልመን ከየተግብራ በዂረን ምጽናሐን ድማ ትጠቅስ። “ከም ደቂ ኣንስትዮ፡ እሞ ከኣ ስደተኛታት ኣብ ገዛ ኴንና፡ ስራሓት ገዛ ክንዓምም፡ ክንምርዖን ክንወልድን ድሕሪኡ ድማ ደቂና ከነዕቢ’ዩ እቲ ዝጸንሐ ትጽቢት። መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ስደተኛታት ድማ ካብዚ ዓንኬል’ዚ ኣይወጻን’የን። ስለዚ ከኣ’ዮም ደቂ-ተባዕትዮ ልዕሌና ናይ ትምህርቲ ዕድላት ዝረኽቡ።” ብመሰረት ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ልዕሊ 80,000 ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ኣብ ኬንያ ኣለዉ። ካብዚኣቶም ኣስታት 80% ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ምዃኖም እቲ ትካል የvልክት። ብመሰረት ወሃቢት ቃል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ጨንፈር ኬንያ ዝዀነት ኢጁን ብዩን ድማ፡ ብሰንኪ ባህሊን ካልእ ተጽዕኖታትን፡ ተሰከምቲ ኣደራዕ ደቂ ኣንስትዮ ስደተኛታት’የን። ብእኡ ምኽንያት ድማ ትብል እታ ወሃቢት ቃል፡ ብዙሓት ካብኣተን ኣደዳ ትሕቲ-ዕድመ መርዓን ምቍራጽ ትምህርቲ ይዀና።ረፉሺ እምበኣር ነዚ ሃጓፍ’ዚ ኣብ ምዕባስን ምቅላልን’ዩ ይጽዕር ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%B0%E1%89%82-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AE-%E1%8B%9D%E1%88%95%E1%8C%8D%E1%8B%9D-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%8C%BD%E1%89%A1%E1%89%95-%E1%8C%88%E1%88%B5%E1%8C%8B%E1%88%B5-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%AD-%E1%8A%A8%E1%88%9D-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%AA%E1%89%B1\/5972691.html"} {"headline":"ኣሕተምቲ አዲስ ስታንዳርድ ስርሓቶም ክቕጽሉ ፍቓድ ምርካቦም ይገልጹ","content":"ብመገዲ መርበብ ሓበሬታ፡ ብቛንቋ እንግሊዝ እትሕተም መጽሔት ኣዲስ-ስታንዳርድ፡ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኢትዮጵያ ንህወሓት ኣፍልጦ ዝህብ ስያመ ብምጥቃማ ምኽልካላ ዝፍለጥ ኮይኑ እታ መርበብ ካብ ረቡዕ ኣትሒዛ፡ ስራሓ ክትቅጽል፡ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓድ ከም ዝተዋህባ ኣመልኪታ ኣላ።ኣብቲ ብመዓል-መዚ መራኸቢታት ኢትዮጵያ ዝወጸ ሓድሽ ናይ ስያመ መምርሒ፡ ንኻልኦት ኣህጉራውያን መራኸቢታት’ውን ዘጠንቀቐ’ዩ ነይሩ። “ንኣጀንዳ ህወሓት ከተሳሲ ጸኒሓ” ብዝብል ምስምስ ስራሓ ደው ከተብል መምርሒ ተዋሂቡዋ ዝጸንሐ፡ መርበብ ኣዲስ-ስታንዳርድ፡ ካብ ረቡዕ ኣትሒዛ ክትቅጽል ከም ዝተፈቕዳ ኣፍሊጣ። እታ ብእንግሊዘኛ እተሕትም፡ ዕለታዊ ዜና’ውን እተእንግድ ወርሓዊት መጽሔት፡ በዓል-መዚ መራኸቢታት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምስራዝ ፍቓድ እታ መጽሔት ሕጋዊ ስሕተት ከም ዝነበሮ ድሕሪ ምእማን፡ ስራሓ ክትቅጽል ፈቒዱ ኣሎ። እንተዀነ፡ እታ መርበብ ከተውግዶ ዘለዋ ስያመ ከም ዝተረዳድኡ ግን ኣመልኪታ ኣላ። በዓል-መዚ መራኸቢታት ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ንረድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ሓዊሱ ዝሰደዶ መጠንቀቕታ፡ “ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ” ዝብል ስያመ ዝጥቀም ማእከል መራኸቢታት ፍቓዱ ክኽልከል ምዃኑ ኣመልኪቱ። ካብ ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህ.ወ.ሓ.ት. ኣብ ኲናት’ዩ ጸኒሑ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ድማ ባይቶ ኢትዮጵያ ነቲ ውድብ “ኣሸባሪ” ክብል ጸዊዑዎ። ኣዲስ-ስታንዳርድ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ከም ዘዘርግሖ፡ ክልተ ላዕለዎት ኣከይድቲ እቲ ኣሕታሚ፡ ብሰኑይ ምስ ሰበ-ስልጣን በዓል-መዚ መራኸቢታት ኢትዮጵያ ድሕሪ ምርኻቦም፡ ካብ ረቡዕ ኣትሒዞም ክቕጽሉ ከም ዝተፈቐዶም ኣመልኪቱ። ኣብቲ ብምኽትል ሓላፊ'ቲ በዓል-መዚ ዮናታን ተስፋዬ ረጋሳ ተፈሪሙ ናብ ድምጺ ኣሜሪካ ዝተላእከ መጠንቀቕታ፤ “ትግራይ ሓንቲ ካብ ክልላት ኢትዮጵያ ብምዃና፡ ናይ ገዛእ-ርእሳ ናይ ምክልኻል ሓይሊ ሰራዊት ክህልዋ ኣይክእልን’ዩ። ስለዚ ድማ ‘ሓይልታት ትግራይ’ ዝብል ስያመ ምጥቃም፡ ነቲ ባይቶ ኢትዮጵያ ‘ግብረ-ሽበራዊ’ ኢሉ ዝገለጾ ህ.ወ.ሓ.ት. ኣፍልጦ ምሃብ ስለ ዝዀነ፡ ክብሪን ልዑላውነት ኢትዮጵያ ዝግህስ’ዩ፡” ዝብል ይርከቦ። ቀጺሉ ድማ ንዅላተን ኣብ ኢትዮጵያ ክሰርሓ ፍቓድ ዝተዋህበን መራኸቢታት-ብዙሃን፡ ተመሳሳሊ ስያመ ምስ ዝጥቀማ ፍቓድ ክኽልከላ ምዃነን የመልክት። ዳይረክተር ጀነራል በዓል-መዚ መራኸቢታት ኢትዮጵያ፡ ኣቶ መሓመድ እድሪስ ምስ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-ምምልስ’ውን፡ ነቲ መምርሒ ዝጠሓሰ ማዕከን ዜና ፍቓዱ ክስሕብ ምዃኑ ኣመልኪቱ ነይሩ። እቲ በዓል-መዚ፡ “ገለ ኣህጉራውያን መራኸቢ-ብዙሃን ምስቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝነጥፉ ዘቤታውያን ከተነጻጽሮም ከለኻ፡ ንገለ ስያመታት ብዘይ ስክፍታ ክጥቀምሉ ትዕዘብ። እቲ ዘገርም ከኣ ዋላ ኣብ ስራሓት ዜና ዘይነጥፉ ሰባት’ውን ብእኡ ተተባቢዖም ነቲ ቃላት ከዘውትሩዎ ምርኣይ’ዩ። ስለዚ እምበኣር ኢና ንዘቤታውያንን ኣህጉራውያንን መራኸቢታት ዜና እንታይ ኢሎም ክጽውዑ ከም ዘለዎም ኣትሪርና መምርሒ ንህብ ዘሎና። ኣብኡ ስሕተት ዝገበረ ድማ ብመሰረት ሕጊ’ዛ ሃገር ዘድሊ ስጕምቲ ክውሰደሉ’ዩ፡” ይብል ። ምኽልካል ኣዲስ-ስታንዳርድ፡ ካብ ሓያሎ ንመሰል ፕረስ ዝጣበቓ ትካላት ከቢድ ነቕፌታ ኣስዒቡ’ዩ። እቶም ተጣበቕቲ ኣካላት ኣብ ዘውጽኡዎ መግለጺታት ድማ፡ ኢትዮጵያ ናብቲ ቅድሚ ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ምምጻኡ ዝነበራ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ጋዜጠኛታት ትምለስ ምህላዋ የመልክቱ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%89%B0%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%8A%95%E1%8B%B3%E1%88%AD%E1%8B%B5-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%93%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%89%95%E1%8C%BD%E1%88%89-%E1%8D%8D%E1%89%93%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%AB%E1%89%A6-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B9\/5972619.html"} {"headline":"መንግስቲ ክልል ትግራይ 1 ሽሕ ምሩኻት ኲናት ምልቓቑ ኣፍሊጡ","content":"መንግስቲ ክልል ትግራይ 1 ሽሕ ምሩኻት ኲናት ከም ዘለቐቐ ኣፍሊጡ። ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበሩ:ዓርቢ 9 ሓምለ 2013 ወይ ድማ ብኣቆጻጽራ ፈረንጂ 16 ሓምለ 2021 ጀሚሩ ካብ ከተማ መቐለ ክልቀቑ ከምዝተገብረ ተሓቢሩ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-1-%E1%88%BD%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%88%A9%E1%8A%BB%E1%89%B5-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%89%93%E1%89%91-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5971621.html"} {"headline":"ኣሜሪካ ኣስታት 453 ሽሕ ዶዝ ክታበት ቫይረስ ኮሮና ንኢትዮጵያ ምልጋሳ ተፈሊጡ","content":"ኣሜሪካ ልዕሊ 453 ሺሕ ዶዝ ክታበት ኮቪድ 19፡ ንኢትዮጵያ ምልጋሳ ኣፍሊጣ። ነቲ ክታበት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ተረኺባ፡ ንሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ዘረከበት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ጊታ ፓሲ`ያ። እዚ ሎሚ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣተወ ክታበት ጆንሰን ኣንድ ጅንሰን ዝብሃል ኮይኑ፡ ዛጊት ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ዝለገሰቶ ክታበት ብድምር ናብ 25 ሚልየን ዶዝ ዝጽጋዕ ምዃኑ ኣምባሳደር ጊታ ኣብቲ እዋን ሓቢራ`ላ። ሚኒስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ\/ር ሊያ ታደሰ ብወገና፡ ሃገራ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ልዑል ጻዕሪ ኣብ ተካይደሉ ዘላ እዋን እቲ ልግሲ ኣሜሪካ ከምዝመጻ ጠቒሳ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-453-%E1%88%BD%E1%88%95-%E1%8B%B6%E1%8B%9D-%E1%8A%AD%E1%89%B3%E1%89%A0%E1%89%B5-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8A%95%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8C%8B%E1%88%B3-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5971611.html"} {"headline":"ሓይልታት ትግራይ ንከባቢ ፍሉይ ዞን ኣበርገለ ድሕሪ ምቁጽጻሩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ መንበሪኦም ምዝንባሎም ተገሊጹ","content":"ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ዋግ ኽምራ ፍሉይ ዞን ከባቢ ኣበርገለ ድሕሪ ምቁጽጻሩ፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ነቲ ከባቢ ሓዲጎም ናብ ከተማ`ቲ ዞባ ዝኾነት ሰቖጣ ምፍንቓሎም ካብኦም ገሊኦም ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም። ብኻልእ ወገን፡ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር፡ ኣሸባሪ ጁንታ ኢሉ ዝጸውዖ ህወሓት፡ ኣብ ልዕሊ ሓረስቶት ዓፋር ኩናት ምኽፋቱ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ብሸነኽ ፈንቲ ረሱ ዞባ፡ ብወረዳ በያሎ ኲናት ምኽፋቱ ዝገልጽ እቲ መግለጺ፡ ምስ መንግስትን ህዝብን ኮይኑ ከምዝምክቶ ኣፍሊጡ።መግለጺ ክልል ዓፋር \" ከም ወትሩ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና፡ ትንፋስ ወራሪ ከም ዝቑረጽ ክንገብር ኣለና\" ይብል ። አጃንስ ፍራንስ ፕሬስ ዘዘራረቦ ወሃቢ ቓል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ በኸባቢ ዓፋር ስጉምቲ ዝወሰድና ካብ ክልል ኦሮሚያ ዝመጹ ሓይልታት ናብ ዝመጽዎ ንምምላስ`ዩ ተሳኺዑልና`ዩ ኢሉ`ሎ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%8A%95%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2-%E1%8D%8D%E1%88%89%E1%8B%AD-%E1%8B%9E%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%AD%E1%89%A0%E1%8C%88%E1%88%88-%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%88%9D%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%8C%BB%E1%88%A9-%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%88%BD%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%91%E1%8C%B8%E1%88%A9-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%88%AA%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5971601.html"} {"headline":"ኣብ አዲስ አበባ ንህወሓት ብምድጋፍን ህወክት ንምልዕዓል ብምፍታን ዝተጠርጠሩ 325 ሰባት ኣብ ቐይዲ ምእታዎም ተገሊጹ","content":"ንህወሓት ብምድጋፍን ህወከት ንምልዕዓልን ምድላው ብምግባር ዝተጠርጠሩ 325 ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ከምዘእተወ ፖሊስ ኮሚሽን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት`ታ ሃገርን፡ ተወላዶ ትግራይ ብዘይ ኣገባብ ይእሰሩን ኣብያተ ንግዶም ይዕጾን ኣሎ ኢሉ ኔሩ`ዩ። ፖሊስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ፡ ኣብ ገዛውቲን ኣብያተ ንግድን ተጠርጠርቲ ብዝተገብረ ፍተሻ፡ ዝተፈላለዩ ኣጽዋራት ብረት ከም ዝተታሕዘ ድሕሪ ምሕባር፡ እቲ ስጉምቲ ምስ ብሄር ዝተተሓሓዘ ኣይኮነን ኢሉ። እቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ትግራይ`ውን፡ ናይ ህወሓት ተቓወምቲ ኢኹም ተባሂሎም ዝተቐትሉ ንጹሃን ሰባት ከም ከምዘለዉ መረዳእታ ኣለኒ ኢሉ`ሎ። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ከምዝበሎ መስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ጎንፂ ተተሓሒዙ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ይበፅሕ ዘሎ መጥቓዕትን ዘይሰብኣዊ ተግባራትን ኣመልኪቶም ዝወፁ ዘለዉ ሓበሬታታት ከምዘሻቀልዎ ምግላፁ ዝዝከር እዩ ። እቲ ኮምሽን ኣብ መግለፂኡ ካብ ዝጠቀሶም ነጥብታት ንኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ፣ ምክልባትን ኣብያተ ንግድታት ምዕፃውን ዝኣምሰሉ ተግባራት ይፍፀሙ ምህላዎም ዝሕብሩ ፀብፃባት ከምዝበፅሕዎ ጠቒሱ: ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መግለፂ ዝሃበ ኮምሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ፌደራል መንግስቲ ኣሸባሪ ክብል ንዝበየኖ ህወሓት ደገፍቱ እዮም ኢሉ ንዝጠርጠሮም 325 ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘውዓሎም ኣፍሊጡ። ኮምሽነር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ጌቱ ኣርጋው ንቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ደገፍቲ ህወሓት እዮም ዝበልዎም ውልቀሰባት ኣብታ ከተማ ናዕቢ ንምልዕዓል ምንቅስቃሳት ምጅማሮም ድሕሪ ምግላጽ ፖሊስ መፅናዕቲ ዝተገብረሉ ስጉምቲ ይወስድ ምህላዉ ተዛሪቦም ። \"ንሰራዊት ምክልኻል ስዒሮም ንኸተማ መቀለ ከምዝተቆፃፀርዋ ዘናፍስዎ ዘለዉ ሓሶታት መበገሲ ብምግባር ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ደገፍቶም ፣ ተሓባበርቶምን ተለኣኣኽቶምን'ውን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ማእከል ናዕብን ህውከትን ንምግባር ምንቅስቃስ ብምጅማሮም እዚ ድማ በይናዊ ምቁራፅ ተፃብኦ ኣብ ዝተወሰነሉ ዕለት ምሸት ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ሆቴላት ብሳዕስዒትን ሃይሃይታን ሕገመንግስትን ክብርን እዛ ሃገር ዝፃረሩ ፣ ክብሪ ባንዴራ እዛሃገር ዘዋድቁ ዘይሕጋዊ ተግባራት ክፍፅሙ ተራእዮም እዮም ። ነዚ መበገሲ ብምግባር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ምስ ፌደራል ፖሊስን ፀጥታን ከምኡ'ውን ምስ መላእ ህዝብና ብምትሕብባር ኣብ መፅናዕቲ ዝተሞርከዘ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ንሰርሕ ኣለና ።\" ኣብ መንበሪ ኣባይትን ኣብያተ ንግድን እቶም ተጠርጠርቲ ብዝተገብረ ተፍቲሽ ዝተፈላለዩ ኣፅዋራት ከምዝተረኽቡ እቶም ኮምሽነር ገሊፆም። \" 126 ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ሽጉጣት ፣ 918 ጠያይቲ ፣ 124 ካዝና ፣ 3 ክላሽ ፣390 ጠያይቲ ምስ 4 ካርታታት ከምኡ'ውን S-ksብኤግዚብትነት ተተሓሒዙ ኣሎ ። ምስዚኦም ተተሓሒዞም ኣልባሳት ፌደራል ፖሊስ፣መአረሚ ቦታታትን ሰራዊት ምክልካልን ኣብቶም ዝተፈተሹ ሆቴላትን ኣብያተ ንግድን ተረኺቦም መርመራ ይካየደሎም ኣሎ።\" ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኣምንስቲ ኢንተርናሽናልን ኣብ ዘውፅእዎም መግለፅታት ግን ዝፍፀሙ ዘለዉ ማእሰርትን ዝዕፀዉ ዘለዉ ኣብያተ ንግድን ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዘነፃፀረ እዩ ክብሉ ምግላፆም ዝዝከር እዩ ። ኮምሽነር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ጌቱ ኣርጋው ድማ እቲ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ንዝተጠርጠርዎ ገበን ድኣእምበር ንብሄር መሰረት ዝገበረ ኣይኮነን ኢሎም። እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝወዓሉ ተወለድቲ ትግራይ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ምእሳሮም ዝገልፅ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ምስ ህወሓት ርክብ ዘለዎም ንምዃኖምን ብዝሒ ቁፅሮም ብትኽክል ንምፍላጥ ናይ ምፅራይ ስራሕ የካይድ ምህላዉ ኣብቲ ኮምሽን ላዕለዋይ ኣማኻሪ ርክባትን ወሃቢ ቃል እቲ ትካልን ኣሮን መዓሾ ንድምጺ ኣሜሪካ ምግላፆም ዝዝከር እዩ ። ነዚ ስዒቡ ካብ ፖሊስ ተወሰኽቲ ሓበሬታታት ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰለጠን ። እቲ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ወሲኹ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራን ተቃወምቲ ህወሓትን ኣብ ዝበልዎም ሲቪላውያን ስጉምትታት ቅትለትን ጭውያን ምፍፃሞም ሓበሬታታት ከምዝበፅሕዎ ዝገለፀ ኮይኑ ህወሓት ነዚ ኣመልኪቱ ዝበሎ የለን ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%95%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%8C%8B%E1%8D%8D%E1%8A%95-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%8A%AD%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%A0%E1%88%AD%E1%8C%A0%E1%88%A9-325-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%90%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5971587.html"} {"headline":"ውድድራት ሴካፋ ኣብ ከተማ ባህርዳር ቀጺሉ'ሎ: ኦሎምፒክ ቶክዮ ድሕሪ 4 መዓልታት ክጅምር'ዩ","content":"ውድድራት ሴካፋ (ሃገራት ማእከላይን ምብራቅን ኣፍሪቃ) ትሕቲ 23 ዓመት ኣብ ባህርዳር ኢትዮጵያ ቀጺሉ ኣሎ። ነቲ ዞባዊ ግጥም ቅድሚ ትማሊ ቀዳም ዝጀመረኦ ጋንታታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ነይረን። ክልቲኤን ጋንታታት ማዕረ 3 ን 3 ተፈላልየን። ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ቅድሚ ደገፍታን ኣብ ገዛእ ሜዳኣን ማዕረ 3 ን 3 ምፍልላያ፣ ብርታዐ ተጋጣሚት ጋንታ ኤርትራ ዝሓበረ እዩ። ዊልያም ሰለሞን ሓደ፣ ኣቡበከር ናስር ድማ ክልተ ሸቶታት ኣመዝጊቦም ነይሮም። ንጋንታ ኤርትራ ሰለስቲኤን ሸቶታት ብሓደ ሰብ እየን ተመዝጊበን። ብዓሊ ሱሌማን። ሃትሪክ ሰሪሑ። ኤርትራዊ ዓሊ ሱሌማን ምስ ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ንክስለፍ ኮንትራት ከምዝፈረመ ፈሊጥና ኣለና። ትማሊ ኣብ ዝተካየዱ ግጥማት፣ ኡጋንዳን ኮንጎን ዜሮ ንዜሮ ተፈላልየን። ኬንያ ድማ ንጂቡቲ 3 ን 0 ስዒራ። ኣብ ዜና ኦሎምፒክ ናይ ሎም ዘበን ውድድራት ኦሎምፒክ (ኦሎምፒክ ቶክዮ) ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልታት ክጅምር እዩ። እቲ ቶክዮ ተተኣናግዶ ውድድራት፣ ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ንሓደ ዓመት ከምዝተማሓላለፈ ዝዝከር እዩ። ኣብ ናይ ሎሚ ውድድራት ኦሎምፒክ፣ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ተቀዳዳሚት ብሽክለታ ኤርትራዊት ሞሳና ደበሳይ: ኣብ ጋንታ ስደተኛታት ዓለም ካብ ሞንጎ ዝተሓቆፉ፣ ነባራይ ዓዲ ጥልያን ኤርትራዊ ተኽለወይኒ ገ\/እየሱስ፣ ተጠቀስቲ እዮም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%8B%B5%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%B4%E1%8A%AB%E1%8D%8B-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%AD%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%89%80%E1%8C%BA%E1%88%89-%E1%88%8E-%E1%8A%A6%E1%88%8E%E1%88%9D%E1%8D%92%E1%8A%AD-%E1%89%B6%E1%8A%AD%E1%8B%AE-%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA-4-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8C%85%E1%88%9D%E1%88%AD-%E1%8B%A9\/5971377.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ካልኣይ ገጽ ምምላእ ግድብ ህዳሴ ኣብ ምዝዛም ከምዘላ ኣፍሊጣ","content":"ንመራኸቢታት እታ ሃገር ብምጥቃስ፡ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኢትዮጵያ ንኻልኣይ እብረ ምምላእ ግድብ ህዳሴ ኣብ ምዝዛም ከምዘላ ኣፍሊጣ። ምምላእ እዛ ሰፊሕ ጸዓት ከተመንጩ ትጽቢት ዝግበር ሓጽቢ፡ ንቑጠባዊ ህልውናኣ ወሳኒ ምዃኑያ ኢትዮጵያ እትሕብር። እዚ በይንኣዊ ናይ ምምላእ ስጕምቲ ግን ንግብጺ ዘቘጥዕ’ዩ። ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ብሰኑይ ኣብ ዘዝርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ ሓጽቢ ኣብ “ውሽጢ ደቓይቕ” ክትመልእ ምዃና ኣመልኪቱ። ምምላእ እቲ ሓጽቢ ናይ ህላወ ሕቶ ምዃኑ እትገልጽ ግብጺ፡ ነቲ ስጕምቲ ኣትሪራ ከም እትቃወሞ ኣቐዲማ ከተፍልጥ ጸኒሓ። ሱዳን ብወገና፡ ነቲ በይንኣዊ ስጕምቲ ኣብ ሓጽብታታ ክህሉዎ ዝኽእል ሳዕቤናትን ስክፍታታን ክትገልጽ ጸኒሓ’ያ። ንሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ኣተዓራቒ ሓሳብ ንምምጻእ ክካይድ ዝጸንሐ ፈተነታት ውጽኢት ኣየምጽአን። ኣሜሪካ እትርከበን ካልኦት ዓበይቲ ሃገራት፡ በይንኣዊ ስጕምቲ ዝኸፍአ ሳዕቤን ከስዕብ ከምዘኽእል ብምጥንቃቕ፡ ሰለስተኣን ሃገራት ዝኣስር ሓቛፊ ውሳነ ክወስዳ የዘኻኽራ ኣለዋ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A3%E1%8B%AD-%E1%8C%88%E1%8C%BD-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%8A%A5-%E1%88%93%E1%8C%BD%E1%89%A2-%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8B%9B%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8B-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A3\/5971111.html"} {"headline":"በዓል-መዚ መራኸቢታት ኢትዮጵያ ንስያመ ኲናት ትግራይ ዝምልከት መምርሒ ሂቡ","content":"ንጉዳይ ፕረስን መራኸቢታትን ኢትዮጵያ ዝከታተል መንግስታዊ ኣካል፡ በዓል-መዚ መራኸቢታት ኢትዮጵያ፡ ኣብታ ሃገር ንዝነጥፋ መራኸቢታት ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብዛዕባ ዝጥቀማሉ ስያመ መጠንቀቕታ ሂቡ። እቲ በዓል-መዚ ነዚ መጠንቀቕታ ዝለኣኸ፡ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ’ታ ሰፊሕ ኣንባቢ ዘለዋ፡ ብእንግሊዘኛ እትጽሕፍ ናይ መርበብ መጽሔት ኣዲስ-ስታንዳርድ መምርሒ ፍቓድ ምኽላኡ’ዩ። እቲ በዓል-መዚ፡ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ካልእ መልክዕ ይህብ ኣሎ ኢሉ ዝኣመነሉ ኣጸዋውዓ መራኸቢ-ብዙሃን ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ኣሎ። ኣብቲ ናብ ረድዮ ድምጺ ኣመሪካ ዝተላእከ ወግዓዊ ደብዳበ፡ ንህ.ወ.ሓ.ት. ከም ሃገራዊ ሓይሊ ኣምሲሉ፡ “ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ” ኢለን ዝጽውዓ መራኸቢ-ብዙሃን ክጻወሮ ከም ዘይኰነ ኣመልኪቱ ኣሎ። እቲ መጥንቀቕታ፡ ኣቐዲሙ፡ ናብ ክልተ መራኸቢ-ብዙሃን’ውን ተላኢኹ ነይሩ። እቲ ናብ ረድዮ ድምጺ ኣመሪካ ዝተላእከ ወግዓዊ መጠንቀቕታ፡ ብምኽትል ሓላፊ'ቲ በዓል-መዚ ዮናታን ተስፋዬ ረጋሳ ዝተፈረመ’ዩ። እቲ ዝተላእከ መጠንቀቕታ፡ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ’ቲ ነታ ብእንግሊዘኛ እተሕትም፡ ኣዲስ-ስታንዳርድ፡ ንኣጀንዳ “ሽበራዊ ሓይሊ” ኢሉ ዝጽውዖ ህ.ወ.ሓ.ት. ተገልግል ነይራ ብዝብል ምኽንያት ምዕጻዉ’ዩ። እቲ መንግስታዊ ኣካል ንምዕጻው ኣዲስ-ስንታዳር ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ “ሽበራዊ ጕጅለ፡ኢሉ ዝፀውዖህ.ወ.ሓ.ት. \"ሓይልታት ትግራይ\" ብዝብል ስያመ፡ ሕጋውነት ክትህቦ ፀኒሓ ክብል ከሲሱ። እቲ ዝተወስደ ናይ ምዕጻው ስጕምቲ፡ ካብ ተሓለቕቲ ናጽነት ፕረስ ሰፊሕ ነቕፌታ ኣስዒቡ’ዩ። ኣብቲ ካብቲ በዓል-መዚ፡ ናብ ረድዮ ድምጺ ኣሜሪካ፡ ዝተላእከ ወግዓዊ መጠንቀቕታ፡ “ትግራይ ሓንቲ ካብ ክልላት ኢትዮጵያ ብምዃና፡ ናይ ገዛእ-ርእሳ ናይ ምክልኻል ሓይሊ ሰራዊት ክህልዋ ኣይክእልን’ዩ። ስለዚ ድማ ‘ሓይልታት ትግራይ’ ዝብል ስያመ ምጥቃም፡ ነቲ ባይቶ ኢትዮጵያ ‘ግብረ-ሽበራዊ’ ኢሉ ዝገለጾ ህ.ወ.ሓ.ት. ኣፍልጦ ምሃብ ስለ ዝዀነ፡ ክብሪን ልዑላውነት ኢትዮጵያ ዝግህስ’ዩ፡” ኢሉ። ኣስዒቡ እቲ መጠንቀቕታ፡ ነተን ኣብ ኢትዮጵያ ክነጥፋ ፍቓድ ዝተዋህበን ኣህጉራውያን መራኸቢታት’ውን ነቲ መምርሒ ከተግብርኦ ኣተሓሳሲቡ። ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽእሉ እዋን፡ እታ ሃገር ካብቲ ዝጸንሓ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ጋዜጠኛታት ክትገላገል ምዃና ተስፋ ሂቡ ነይሩ። ምስቲ ድሒሩ ዝመጸ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ተኣሳሲሩ ግን፡ ኢትዮጵያ፡ ናብ ዝበኣሰ ኵነት ናጻ ፕረስ ትጕዓዝ ምህላዋ ዝተፈላለዩ ኣካላት ይሕብሩ። ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ መንግስቲ ን20 ሰራሕተኛታትን ጋዜጠኛታትን እተን ተሪር ነቕፌታ ከም ዘቕርባ ዝንገረለን ኣውሎ መዲያን ኢትዮ-ፎርምን ዝተባህለ ናይ ዩትዩብ መራኸቢታት ምእሳሩ ይዝከር። መንግስታዊ ኣካል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰለስተ ካብቶም ዝተኣስሩ 20 ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታትን ምፍሖም ሓቢሩ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%8B%9A-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%8A%B8%E1%89%A2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%8B%AB%E1%88%98-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%92-%E1%88%82%E1%89%A1-\/5971100.html"} {"headline":"‘ኣብ ኢትዮጵያ፣ ንተጋሩን፣ ተሓለቅቲ መሰላትን ጋዜጠኛታት ብሃውሪ ምእሳር ደው ንክብል’ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ","content":"‘ኣብ ኢትዮጵያ፣ ንተጋሩን፣ ተሓለቅቲ መሰላትን ጋዜጠኛታት ብሃውሪ ምእሳር ደው ይበል’ ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ ተሓላቂ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል። ‘መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ሃለዋት እቶም ዝተኣሰሩ ንከፍልጥ’ ኣምነስቲ ጸዊዑ ኣሎ። ሓይልታት ትግራይ ንመቀለ ድሕሪ ምቁጽጻሮም፣ፖሊስ፣ ን ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ኣብ ኣዲሳበባ ብሃውሪ ኣሲርዎም ኣሎ። ብመሰረት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፣ ግብሪ ፖሊስ ‘ዘርኣዊ መበገሲ ዘለዎ፣ ተኣሲሮም ዝተፈትሑ፣ መሰኻኽርን ሰብ ሞያ ሕጊን፣ ፖሊስ ናብ መዳጎኒ ስፍራ ቅድሚ ነቶም ተጋሩ ምእታው ከመይ ገይሩ ንመለለዪ መንነት ከምዝፍትሽ’ ተዛሪቦም እዮም። ‘ኣብያተ ማእሰርቲ ኣዲሳበባ ብተዛረብቲ ትግርኛ ቅጽጽ ኢሉ ከምዘሎ፣ ፖሊስ ንተጋሩ ብጅምላ ይኣስሮም ኣሎ’ ይብል ዳይረክተር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጨንፈር ምብራቅን ደቡባዊን ኣፍሪቃ ዲፕሮሲ ሙቸና። ‘መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ጅምላዊ ስጉምቲ ምእሳር ደው ንከብሎ ዝጸወዐ አምነስቲ፣ እቶም ተኣሲሮም ዘለው ተጋሩ፣ ወይ ብዓለም ለኸ ደረጃ ዝተነጸሩ ገበናት ክኽሰሱን ናብ ቤት ፍርዲ ክቀርቡን ተዘየለ ብዘይቅድመ ኩነት ክፍትሑን’ ጸዊዑ ኣሎ። ብዘይካዚ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ቤተሰብ ንሃለዋት እቶም ዝተኣሰሩ ከፍልጦም፣ እሱራት ምስ ጠበቃን ስድራኦምን ንክራኸቡ ክፈቅድ ኣለዎ ይብል ኣምነስቲ። ገለ ተኣሲሮም ዝነበሩ ብዋሕስ ተፈቲሖም እዮም፣ እንተኾነ ካልኦት ኣማኢት ሎሚ’ውን ምስተኣሰሩ እዮም ኣበይ ከምዝኣተው’ውን ኣይፍለጡን ይብል እቲ ሪፖርት። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ወሲኹ ‘ኣብ ልዕሊ’ቶም ዝተኣሰሩ ተጋሩ ዝቀረቦም ብደረጃ ዓለም ዝፍለጥ ገበን ዛጊድ ኣይተረኸበን’ ይብል። አምነስቲ ካብ ርሕቀት ኮይኑ ን 14 ተኣሲሮም ዝተፈትሑ፣ መሰኻኽር ዓይኒ፣ ኣዝማድን ተበቃታትን ቃለ ምልልስ ገይሩሎም ኣሎ። ኣብ 2 ሓምለ ካብ ከባቢ መርካቶ ዝተኣሰረ ሓደ ትግራዋይ ‘ፖሊስ ምሸት ንሹቁ ወሪሮም፣ ከምዘንከላበትዎን ንሰራሕተኛታቱን ንዓማዊሉን ከምዝወቅዕዎም፣ መለለዪ መንነቶም ሓቲቶም፣ ንሓሙሽተ ተጋሩ ዝኾኑ ጥራሕ ናብ መደብር ፖሊስ ከምዝወሰዱን’ ጠቂሱ። ብመሰረት ሪፖርት አምነስቲ ዝጠቀሶ ትግራዋይ ‘ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወሰዱና፣ ኣብ ደገ ኣሕዲሮምና፣ ሙሉእ ለይቲ ማይ ይወቅዕ ነይሩ፣ ንጽባሒቱ’ውን ኣጽኒሖኒ፣ ብርክት ዝበሉ ተጋሩ’ውን ተጸምቢሮምና፣ ኣብ’ታ ዕለት’ቲኣ 26 ተጋሩ ብሓባር ኣብ’ቲ ቤት ማእሰርቲ ንርከብ ነይርና። 19 ሰባት ተፈቲሕና፣ ነቶም ዝተረፉ ግና ናብ ኣዋሽ ኣርባ ወሲዶምዎ’ ከምዝበልዎ ሓቢሩ። እቲ ጅምላዊ ማእሰርቲ፣ ኣብ ክልል ዓፋር’ውን ከምዝተኸሰተ፣ ብዛዕባ ኩነታት ትግራይ ዝዛረቡ ጋዜጠኛታት ካብ አውሎ ሚድያን ኢትዮ ፎረምን’ውን ብፖሊስ ከምዝተኣሰሩ ሪፖርት አምነስቲ ኢንተርናሽናል ጠቂሱ ኣሎ። ሕጊ ኢትዮጵያ፣ ፖሊስ ንዝኣሰሮም ሰባት ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ናብ ቤት ፍርዲ ከቅርቦም ግድን ከምዝኾነ ይሕብር። እሱራት ስልጥ ኢልካ ናብ ቤት ፍርዲ ምቅራቦም፣ ኣብ ልዕሊኦም መግረፍቲ ንከይፍጸሞም፣ ሕማቅ ኣተሓሕዛ ንከይግበረሎምን ንከይስወሩ ዝከላኸል ኣገዳሲን ክትግበር ዝግበኦን ዓንቀጽ ሕጊ እዩ ይብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/amnesty-international-calls-end-of-arbitrary-arrest-of-tegaru-in-addisababe-\/5969481.html"} {"headline":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝተአሰሩ ሰባት ብቕልጡፍ ክፍትሑ ሓቲቱ","content":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዝኾነ ይኹን ከባቢ ካብ ሕጊ ወፃኢ ዝተኣሰሩ ሰባት ብቕልጡፍ ክፍትሑ ሓቲቱ። እቲ ኮሚሽን ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ዝቐፀለ ግጭት ተኣሳሲሩ ኣብ ልዕሊ ስቪላት ዝፍፀሙ መጥቓዕትታት፣ምክልባትንማእሰርትን፣ ምዕፃው ኣብያተ ንግድን፣መቕተልትን ተመሳሰልቲ ተግባራት መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ብዝምልከት ይመፁ ዘለው ሓበሬታት ከምዝተሓሳሰቦ ገሊፁ ። እቲ ኮሚሽን ኣብ መግለፂኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ካብ ሕጊ ወፃኢ ማእሰርቲ ምፍፃሙ ብዝምልከት ዝበፅሑዎ መረዳእታታት ይከታተል ከምዘሎ ሓቢሩ። ነዞም ጉዳያት እዚኦም የጻርይ ምህላው ናይቲ ኮሚሽን ናይ ኮሚኒኬሽን ጉዳያት ኣማኻሪን ወሃቢ ቃልን ኣሮን መዓሾ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፁ። ሰራሕተኛታት መሓውራት ዜና ሓዊሱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣሰሩ ሰባት ካብ ኣዲስ ኣበባ ወፃኢ ናብ ዝርከቡ ቦታታት ይውሰዱ ከምዝለው ሓበሬታ ከምዘለዎ እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ ኣሎ።እቲ ኮሚሽን ብስፍሓት ይስምዑ ዘለው ዝበሎም ፅልእን ግጭትን ዘለዓዕሉ መደረታት ነቲ ኩነታት ዘጋድድን ካብኡ ሓሊፉ ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ዘሎ ምትእስሳራት ከላሕልሑ ዝኽእሉን እዮም ኢሉ።ኣብ ዝኾነ ይኹን ከባቢታት ካብ ሕጊ ወፃኢ ዝተኣስሩ ሰባት ብቕልጡፍ ክፍትሑን ኣብ ልዕሊኦም ምክልባትን ካልኦት ዘይሕጋዊ ተግባራት ዝፈፀሙን ኣካላት ናብ ሕጊ ክቐርቡ ሓቲቱ ኣሎ። እቲ ኮምሽን ኣብ መግለፂኡ 4 ሓምለ 2013 ዓ\\ም ኣብ ዞባ ደቡብ ጎንደር፣ወረዳ ፎገራ፣ወረታ ተባሂላ ኣብ እትፅዋዕ ከተማ ሰለስተ ተወለድቲ ትግራይ ብዕስለ ተቐጥቂጦም ከምዝተቐትሉ መረዳእታ ከምዝበፅሖ እቲ መግለፂ ይሕብር። ኣቶ ኣሮን መዕሾ እቲ መቕተልቲ ምፍፃሙ እቲ ኮሚሽን ከምዝረጋገፀን ተወሳኺ ምፅራይ ይካየድ ምህላውን ተዛሪቦም። ሓላፍቲ ምምሕዳርን ፀጥታን ብዝወሰዱዎ ስጉምቲ እቲ ኩነታት ከም ዝተረጋግአን ሽዱሽተ ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉን ተፈሊጡ ኣሎ ። እቲ ኮሚሽን በተወሳኺ ኣብ ልዕሊ እሱራትን ምሩኻትን ዝፍፀሙ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ኣብ ስደተኛታት ዝወርድ መጥቓዕቲን ህፃናት መልሚሉ ንውትድርና ምጥቃምን ዝምልከቱ መረዳእታታት ኣለው ይብል። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሰበስልጣን መንግስቲ ህወሓት ህፃናት መልሚሉ ንውትድርና ይጥቀመሎም ኣሎ ክብሉ ይገልፁ። ህወሓት ብዛዕባ ምልመላ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝቐረቦ ክሲ ዝሃቦ መልሲ የለን። ብዛዕባ እዚ ዝተሓተተ ኣማኻሪ ጉዳያት ኮምኒኬሽን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣቶ ኣሮን መዓሾ መረዳእታ ከምዘለዎ ብምግላፅ ቤት ፅሕፈቱ የጻርዮ ምህላው ገሊጹ። ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራ ከምኡ'ውን ንህወሓት ተቓወምቲ እዮም ብዝብል ኣብ ልዕሊ ስቪላት ይውሰድ ኣለው ዝተባህሉ ናይ ምቕታልን ምዕፋንን ስጉምትታት ከምዝተሓሳሰቦ ናይቲ ኮሚሽን መግለፂ ይሕብር። ኣብ ኣላማጣን ከባቢኡን ዳግም ዝተልዓለ ግጭት ስዒቡ ይፍፀም ኣሎ ዝተባህለ መጥቓዕቲ ዝለዓለ መጠነ ዘለዎም ተመዛበልቲ ምህላዎን ሓቢሩ ኣሎ። ቴሌኮምኒኬሽንን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ምቁራፆም ንናይ ሰብኣዊ መሰላት ክትትል ከቢድ ከምዝገበሮ ኣፍሊጡ ኣሎ። ብዛዕባ መቕተልትን መስወርትን ተቓወምቲ ካብ ህወሓት ዝተውሃበ መልሲ የለን፤ ምስ ረኸብና ክነቕርቦ ኢና። ብኻልእ ወገን ከኣ ተሓላቂ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል \"ኣብ ኢትዮጵያ፣ ንተጋሩን፣ ተሓለቅቲ መሰላትን ጋዜጠኛታት ብሃውሪ ምእሳር ደው ይበል\" ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ሃለዋት እቶም ዝተኣሰሩ ንከፍልጥ’ ኣምነስቲ ጸዊዑ ኣሎ። ሓይልታት ትግራይ ንመቐለ ድሕሪ ምቁጽጻሮም፣ፖሊስ፣ ንብርክት ዝበሉ ተጋሩ ኣብ አዲስ አበባ ብሃውሪ ኣሲርዎም ኣሎ። ብመሰረት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፣ ግብሪ ፖሊስ 'ዓሌታዊ መበገሲ ዘለዎ፣ ተኣሲሮም ዝተፈትሑ፣ መሰኻኽርን ሰብ ሞያ ሕጊን፣ ፖሊስ ናብ መዳጎኒ ስፍራ ቅድሚ ነቶም ተጋሩ ምእታው ከመይ ገይሩ ንመለለዪ መንነት ከምዝፍትሽ\" ተዛሪቦም እዮም። \"መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ጅምላዊ ስጉምቲ ምእሳር ደው ንከብሎ ዝጸወዐ አምነስቲ፣ እቶም ተኣሲሮም ዘለው ተጋሩ፣ ወይ ብዓለምለኸ ደረጃ ዝተነጸሩ ገበናት ክኽሰሱን ናብ ቤት ፍርዲ ክቀርቡን እተዘየለ ብዘይቅድመ ኩነት ክፍትሑን\" ጸዊዑ ኣሎ። ብዘይካ'ዚ፣ ኣምነስቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ቤተሰብ ንሃለዋት እቶም ዝተኣሰሩ ከፍልጦም፣ እሱራት ምስ ጠበቃን ስድራኦምን ንክራኸቡ ክፈቅድ ኣለዎ ይብል ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%A0%E1%88%B0%E1%88%A9-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%89%95%E1%88%8D%E1%8C%A1%E1%8D%8D-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%91-%E1%88%93%E1%89%B2%E1%89%B1\/5968807.html"} {"headline":"'ፈደራል መንግስቲ ተኹሲ ደው ንምባል ዝወሰነ ከይፈተወ'ዩ' ኣቶ ጌታቸው ረዳ","content":"ወሃቢ ቃል ምምሕዳር ክልል ትግራይን ህወሓትን ዝኾኑ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝፀሓፉዎ ተከታታሊ ናይ ትዊተር መልእኽታት መንግስቲ ክልል ትግራይን ህወሓትን 'ሓይልታት ኣብይ' ኢሎም ዝፀውዕዎም ሓይልታት ፌደራል መንግስቲ ቶኽሲ ደው ንምባል ዝወሰኑ ከይፈተው እዮም፣'ሓይልታት ኣገኘሁ ተሻገር' ኢሎም ዝፀውዕዎም ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ኣብ ራያን ፀለምትን ተፀሪጎም ገባራት ሚሊሽያታት ምስኦም ዘራኽብ ስለዘይብልና ናብ ስድሮም ምምላስና ሓቅታት መሊስና ንምግላፅ ንደሊ ኢሎም። ኣቶ ጌታቸው ኣብይ ኣህመድ ኣንፃር ትግራይ ንኢትዮጵያዊያን ዘተኣኻኽቡ ዘለው ኣካል ፖሊሲ ከፋፊልካ ምግዛእን ንሰላም ድልየት ከምዘይብሉን ኣብ ክንድኡ ንተወሳኺ ምፍሳስ ደም ዝተዳለው ምዃኖም ዘርኢ እዩ ኢሎም ። ንህዝብና ኣብ ስግኣት ዘውድቕ ዝተረፈ ኣፅዋር ዘይምህላው ንምርግጋፅ ኣድላይ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ኢሎም ወሲኾም።ንኢትዮጵያ ካብ ምብትታን ወፃኢ ካልእ ስራሕ የብሉን ዝበሉ ኣቶ ጌታቸው ሰላምን ምቁራፀ ተፃብኦታትን ንደሊ ኢና እዚ ዝኸውን ግን ዘቐመጥናዮቅድመ ኩነታት ምስ ዝማልኡ እዩ ኢሎም። ትማሊ መግለፂ ዝሃቡ ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ ግዛቸው ሙሉነህ ህወሓት ንኢትዮጵያ ንምፍራስ ቆሪፁ ተላዒሉ ኣሎ ክብሉ ምኽሳሶም ይዝከር። ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ሬድዋን ሑሴን ብወገኖም ትማሊ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ በይናዊ ምቁራፅ ቶኽሲ ብምትግባር ንሰራዊቱ ካብ ክልል ትግራይ ዘውፅአ ንሰላም ተባሂሉ እዩ ነይሩ፣ ዋጋ የኽፍሎ'ሎ ህወሓት ዝጀመሮ ምትንዃይ እነተቐፂሉ ግና መንግስቲ ንውሳንኡ ገምጊሙ ስጉምቲ ንምውሳድ ከምዝግደድ ምግላፆም ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%8A%B9%E1%88%B2-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%90-%E1%8A%A8%E1%8B%AD%E1%8D%88%E1%89%B0%E1%8B%88-%E1%8B%A9-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%8C%8C%E1%89%B3%E1%89%B8%E1%8B%8D-%E1%88%A8%E1%8B%B3\/5968708.html"} {"headline":"መግለጺ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያን ናይ ኣምሓራ ምንቅስቃስ ዲሞክራሲያዊ ሓይሊን","content":"ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ\"ናይታ ሃገር ህልውና ንምሕላው ኣብ ዝተገብረ ፃውዒት ኣድላይ ሓገዝ ክንገርብ ኢና’’ ኢሉ።ወሃቢ ቃል እቲ ክልል ኣቶ ጌታቸው ባልቻ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ኣብ ሰሜናዊ ከባቢታት እታ ሃገር \"ህወሓት የካይዶ ኣሎ’’ ዝበሉዎ ውግእ ኮኒኖም ኣለው። ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ርእይትኦም ንድምጺ ኣሜሪካ ዝሃቡ ኣባል መሪሕነት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣቶ ያሶ ከበብው ሰላም ንምስፋን ክልቲኦም ወገናት ኣብ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሎም ክዘራረቡ ኣለዎም ኢሎም። ብዝተሓሓዝ ዜና ናይ ኣምሓራ ምንቅስቓስ ዴሞክራሲያዊ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ህልውና ኢትዮጵያን ህዝቢ ኣምሓራን ዝመፀ ሓደጋ ህልውና ንምምካት ኣብ ጎኒ መንግስቲ ክንስለፍ ኢና ኢሉ ። እቲ ውድብ ኣንፃር ብፓርላማ ኢትዮጵያ ኣሸባሪ ተባሂሉ ንዝተመደበ ህወሓት ምቅላስ ዝጀመረ ቅድም ክብል ምዃኑ ዝገለፁ ኣቦ ወንበር እቲ ውድብ ኣቶ ተስፋሁን ኣለምነው እቲ ውድብ ኣብ ናይ ኤርትራ ጋሽ ባርካ ንሸሞንተ ዓመታት ከምዝተቓለሰ ሓቢሩ ኣሎ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%B5%E1%89%83%E1%88%B5-%E1%8B%B2%E1%88%9E%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%88%B2%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A%E1%8A%95\/5968665.html"} {"headline":"ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ፈላማይ ናይ መኽፈቲ ግጥማት ሴካፋ ጽባሕ ክትሳተፍ'ያ","content":"ህዝቢ ዘርኣየና ፍቕሪ ከም ናብ ካልኣይ ገዛና ዝመጻና'ዩ ተሰሚዑ ክብሉ ኣብ ባህርዳር ዝርከቡ አባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ትሕቲ 23 ዓመት ገሊጾም:: ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ማእከላይን ምብራቕ ኣፍሪቃ ሴካፋ ንምስታፍ ብሶሉስ ናብ ባህርዳር ዝኣተወት ክትከውን ከላ ጽባሕ ቀዳም ፈላማይ ግጥማ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ከተካይድ'ያ:: ሓደ ካብ አባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ትሕቲ 23 ዓመት ዝኾነ ሮቤል ተክለማርያም ካብ ቕድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጀሚሩ ምስ ጋንታ ቡና ኢትዮጵያ ክጻወት ዝጸንሓ'ዩ፥ ንሱ \"ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብደም ዝተኣሳሰረ ሓደ ህዝቢ እንተኾነ ኩነታት ብዝፈጠርዎ ጸገም ተረሓሒቖም ጸኒሖም'ዮም\" ይብል:: ሮቤል ብተወሳኺ ንክልቲኡ ህዝቢ ዝኣስሮ ሓደ ሓይሊ ኣሎ ንሱ ድማ ፍቕሪ'ዩ ኢለ'የ ዝኣምን ይብል:: ሳዶር የማነ ወዲ 21 ዓመት አባል ሃገራት ጋንታ ኤርትራ'ዩ: \"ንኢትዮጵያ ኮነ ኢትዮጵያዊያን ብስም ጥራይ'የ ዝፈልጦም፥ ናብ አዲስ አበባ ክትኸዱ ኢኹም ምስተባሃልና ፍሉይ ስምዒት'ዩ ተሰሚዑኒ ባህርዳር ምስ ኣተና ድማ ህዝቢ ዝተፈለየ ፍቕሪ'ዩ ኣርእዩና ካብ ገዛይ ወጺኣ ናብ ካልኣይ ገዛይ ከምዝመጻእኹ'ዩ ተሰሚዑኒ\" ክብል ሓቢሩ:: ኣብ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ቴክኒካል ዳይሬክተር ዝኾነ ኣቶ ዳንኤል ዩሃንስ ቕድሚ 30 ዓመታት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጅማ ተማሃራይ ምንባሮም ብምግላጽ በዚ ውድ ድር ምክንያት ካብ ዘቐመጥዎም ሰለስተ ዒላማታት ሰላም:ፍቕሪን ምትሕስሳብን ከምዘዕወቱ ይገልጹ:: ኣቶ ዳንኤል ኣብ መወዳእታ ንዝኽሪ'ቲ ግጥማት ተጻወቲ ድሕሪ'ቲ ውድድር ፈልሲ ናይ ምትኻል ስነ ስርዓት ከምዘካይዱ'ውን ሓቢሮም ኣለው::","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8C%8B%E1%8A%95%E1%89%B3-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8A%BD%E1%8D%88%E1%89%B2-%E1%8C%8D%E1%8C%A5%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%88%B4%E1%8A%AB%E1%8D%8B-%E1%8C%BD%E1%89%A3%E1%88%95-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%88%B3%E1%89%B0%E1%8D%8D-%E1%8B%AB\/5968568.html"} {"headline":"መግለጺ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ","content":"ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ: ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘውርዶ ዘሎ በደል ብዝምልከት፡ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ፍትሓዊን ሚዛናውን ኣካይዳ ኣይተኸተለን ኢሉ። ንኢትዮጵያ ንምድሓን ዝተፈላለዩ ክልላት ፍሉይ ሓይልታተን ናብ ግንባር ከምዘንቀሳቐሳ` ውን ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ ግዛቸው ሙሉነህ ሓቢሩ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB\/5967367.html"} {"headline":"ሚ\/ጉ\/ወ ኢትዮጵያ 'ብሽም ሰብኣዊ ሓገዝ ንህውሓት ዘዕጥቑ ከምዘለው ብምጥቃስ መንግስቲ ካብ ሃገር ከውጽኦም ከምዝክእል' ኣጠንቂቑ","content":"ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ሚኒስትር ዴኤታ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ሎሚ አብ ዝሃቦ መግለጺ \"ብሽም ምቅራብ ረድኤት ንህወሓት ዘዕጥቁ ኣወሃሃድቲ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘለው ብምጥቃስ፣ መንግስቲ ንገሊኦም ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ካብ’ታ ሃገር ከውጸኦም ከምዝኽእል\" ኣጠንቂቑ። ብካልእ ወገን፣ ንክልል ትግራይ ዳግም ዝመርሕ ዘሎ ዶ\/ር ደብረጽየን ገ\/ሚካኤል: ረድኤት ብዘይጸገም ምእንታን ክማሓላለፍ፣ ተኹሲ ደው ኣቢልና ሰራዊትና ካብ ትግራይ ኣውጺእና እናበሉ፣ ካብን ናብን ትግራይ ይካየድ ዝነበረ ናይ ኣየርን ምድሪን መጓዓዝያ ብምዕጻው ሓገዝ ይኹን ካልኦት አገልግሎታት ክቋረጽ ገይሮም እዮም ክብል ንፈደራል መንግስቲ ከሲሱ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%BD%E1%88%9D-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%95%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%8B%95%E1%8C%A5%E1%89%91-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8C%A5%E1%89%83%E1%88%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8A%A8%E1%8B%8D%E1%8C%BD%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%AD%E1%8A%A5%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8C%A0%E1%8A%95%E1%89%82%E1%89%91\/5967342.html"} {"headline":"ኣብ ልዕሊ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት መጥቓዕቲ ይፍጸም ምህላው ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት መጥቓዕቲ ይፍጸም ምህላው፡ ኤጀንሲ ጉዳይ ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽንን ርክብ ህዝብን ኣራ፡ በኣካል ንጉሰ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ክልል ካብ ዝርከባ ኣርባዕተ መዓስከራት ኣብ ምጅማር ኩናት፡ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ክልተ መዓስከራት ጉድኣት ኣውሪዱ፡ ዝተዓጽዋ ክኾና ኸለዋ፡ ሕጂ`ውን ኣብ ልዕሊ ዝተበተኑ ስደተኛታት መጥቃዕቲ ይፈጸም ከምዘሎ ሓበረታ ኣለና ኢሉ። እቲ ትካል ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ንጸገማት`ቶም ስደተኛታት ኣብ ምቕራፍ ሓላፍነቱ ክፍጽም`ዩ ጸዊዑ`ሎ። ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣዝዩ ከምዘሻቐሎ ገሊጹ`ሎ። ምስ`ዚ ብዝትሓሓዝ ካብ ህወሓት ዝተባህለ ነገር የለን። ብኻልእ ወገን ናይ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት- (ዩኤንኤችሲኣር)፡ ኣብ መዓስከራት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ዘሎ ኩነታት ብቕልጡፍ እናሓመቐ ይኸይድ ኣሎ ድሕሪ ምባል፡ ሞት ሓደ ስደተኛ ተራጋጊጹ`ሎ- ማእሰርቲ-መውቃዕትን ዝምታን ከምዘሎ`ውን ዝእመን ጸብጻባት ኣሎ ኢሉ`ሎ። ዝርዝር ጸብጻብ ጽባሕ ከቐርብ ዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8B%AD%E1%8D%8D%E1%8C%B8%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5967303.html"} {"headline":"“ናይ ህላወ ቃልሲ:” ንዂናት ክልል ትግራይ ዝዝውር ዘሎ ሓድሽ ምዕራፍ ዓሌታዊ ምፍጣጥ","content":"ኣሰፋው ኣበራ፡ ቅድሚ ሰላሳ ዓመታት ኣቢሉ፡ ካብ መንበሪ ገዛኡ ምስ ወጸ፡ንሱዳን’ዩ ኣምሪሑ። ነቲ ዘይምቹእ ቦታ ብእግሩ ኣብ ዝጓዓዘሉ ዝነበረ እዋን ድማ ወታሃደራትን ተቓወምቲ ትግራይ ካብኡ ብዙሕ ኣብ ዘይረሓቐ ቦታታት ይዋግኡ ነይሮም። ተወላዲ ብሄረ ኣምሓራ ዝኾነ ኣሰፋው፡ ንዓዱ ዝምለሰሉ እዋን ካብ ምምዕዳው ደኣ ኣየዕርፍ እምበር፡ ንሰላሳ ዓመታት ዝኸውን ኣብ ካርቱም ኣብ ስራሓት ጽሬትን ካልእ ዕለታዊ ሸቕሊን’ዩ ክነጥፍ ጸኒሑ። ዝሓለፈ ወርሒ ግን ሕልሙ ሰሚሩሉስ ምስቶም ብመንግስቲ ክጣየሱ ዝተጸውዑ ስደተኛታት ንሑመራ ተመሊሱ። ነቲ ብንእሽቶኡ ዝገደፎ ዘራእቲ መሸላን ሰሊጥን ምስ ረኣየ ድማ ብምድፍናቕ ነቢዑ። ምጥያስን ምምላስን ከም በዓል ኣሰፋው ዝኣመሰሉ ተወላዶ ኣምሓራ፡ ነቲ ኣብ ከባቢ ሑመራ ብተወላዶ ትግራይ ተዓብሊሉ ዝነበረ ብዝሒ ንምስትኻኻል’ዩ ዕላማኡ። እዚ መደብ’ዚ እምበኣር ድሕሪ’ቲ ንኣሽሓት ዜጋትት ንስደት፡ ሞት፡ ምምዝባልን ደርቂን ዝመርሐ ኣስታት ሸሞንተ ኣዋርሕ ዝወሰደ ኲናት’ዩ ዝካየድ ዘሎ። ሓይልታት ትግራይ፡ ንወተሃደራት ፈደራላዊ መንግስቲ ስዒሮም ንዋና-ከተማ መቐለ ድሕሪ ምቍጽጻሮም ንዓለም ኣደኒቖም’ዮም። ሕጂ ከኣ ጠመተኦም ንኸም በዓል ኣሰፋው ዝኣመስሉ “ወረርቲ” ኢሎም ዝፅውዕዎም ንምቅላስ’ዩ። ብኣገላልጻኦም “ነፍሲ-ወከፍ ስድሪ መሬት” ትግራይ ናጻ ክሳብ ትኸውን ደው ኣይክብሉን’ዮም። “ዘነቓንቐና ኣካል የለን” ልሙዕ መሬት ምዕራባዊ ትግራይ፡ ንመን ከም ዝብጽሖ ንኣምሓራን ተጋሩን ወትሩ ምስ ኣከራኸረ’ዩ። ክልተ ተመዓደውቲ ሓይልታት ድማ ንሰለኡ “ህይወቶም ክኸፍሉ” ድሉውነቶም የርእዩ። ኣሰፋውን እቶም ምስኡ ካብ ሱዳን ዝተመልሱ ኣስታት 15,000 ስድራቤታት ተወላዶ ኣምሓራ እምበኣር ካብቶም ህይወት ክህቡ ቅሩባት ዝኾኑ’ዮም። ኣሰፋው ኣብቲ ምስ በዓልቲ-ቤቱን ሸውዓተ ደቁን ዝነብሮ ዘሎ ሓድሽ ናይ ሑመራ ገዛኡ ኮይኑ፡ ነቲ ብሓይልታት ትግራይ ዝፍኖ ዘሎ ዘረባታት ዋጋ ከም ዘይህቦ ይጠቅስ። “ሓግሒጎም ከውጽኡና ምዃኖም ይፍክሩ ኣለዉ። ዝመጸ ይምጻእ ግን ካብዚኣ ዝነቕለና የለን። ሳለ ፈጣሪ ግዜና መጺኡ’ዩ፡” ክብል ድማ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ገሊጹ። ኣሰፋው ቅድሚ ሰላሳ ዓመታት ኣቢሉ ካብ ገዛኡ ክወጽእ እንከሎ፡ ኣንጻር ናይቲ ቅድሚ ወርሒ ብሓጎስ ዝተመልሶ’ዩ ነይሩ። ኣብ ፈለማ 90ታት ክወጽእ እንከሎ፡ ሰራዊት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ነቲ ብመንግስቱ ሃይለርማርያም ዝምራሕ ስርዓት ንምእላይ ኣብ ምቅርራብ’ዮም ነይሮም። ኣብ 1991 ድሕሪ ምኣላዮም ድማ ንዝመጽእ 27 ዓመታት ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዓብላሊ ቦታ’ዩ ጸኒሑዎም። ህወሓት ካብ ዘተኣታተዉዎ ለውጥታት ነታ ሃገር ናብ ትሸዓተ ክልላት ምምቃልን ንሑመራ ዘጠቓልል ምዕራባዊ ክፋል ድማ ናብ ክልል ትግራይ ምእታውን’ዩ ነይሩ። ነቲ ሓድሽ ቅርጺ ምምሕዳር፡ ተወላዶ ኣምሓራ፡ ከም ምምንዛዕ መሬት ደኣ ይርኣዩዎ እምበር፡ ተቓውሞኦም ከስምዑ ግን ኣይከኣሉን። ሎሚ፡ ሓያሎ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝቕመጡ ተወላዶ ኣምሓራ፡ ንምምሕዳር ህወሓት፡ ቋንቋ ኣምሓርኛ ንምዝራብ’ውን ዝፈርሑሉ ዝነበሩ ግዜ ሽቝረራ ኢሎም ይገልጹዎ። ምዕራባዊ ክፋል ናብ ክልል ኣምሓራ ክኣቱ ኣለዎ ኢሎም ዝጕስጕሱ ተወላዶ ኣምሓራ ምፍርራሕ፣ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ማእሰርቲ’ዩ ዝጽበዮም ነይሩ።ተደጋጋሚ ግዜ ኣደዳ ማእሰርቲ ምዃኑ ዝሓበረ ሓደ ካብቶም መራሕቲ ተወላዶ ብሄረ ኣምሓራ ሲልታል ኣድማሴ “ክንደይ ስቓይ ርእየ’የ። እንታይ ከም ዝገበሩኒ ክሓስብ’ውን ኣኻእሎ የብለይን፡” ይብል። “ሓድሽ ምዕራፍ” ኣንጻር መንግስቲ ዝካየድ ተቓውሞ በርቲዑ፡ ኣብ 2018 ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጻኡ ግን ሚዛን ሓይሊ ህወሓት’ውን ዘጢጡ። ኣብ መንጎ’ቶም ንዓመታት ኣብ ፖለቲካዊ መሪሕነት ዝጸንሑን ሓደስቲን ብዝተፈጥረ ፍሕፍሕ ድማ ኣብ ወርሒ ሕዳር ናብ ኲናት መሪሑ። ኣብ መንጎ’ዚ መሪር ኲናት ንሑመራን ከባቢኣን መን ተቖጻጸሮ’ዩ። ሓይልታት ትግራይ ድሕሪ ምንስሓቦም፡ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ምምሕዳሮም ክተኽሉ ግዜ ኣይወሰዱን። ነቲ ብህወሓት ዝቖመ ሓወልቲ ኣፍሪሶም፡ ንወተሃደራዊ መዓስከራት’ውን ደምሲሶም። ነባሪ ህዝቢ ናብ ክልል ኣምሓራ ግብሪ ዝኽፍለሉ ቅርጺ ቆይሙ፡ ንህጻናት ብቛንቋ ኣምሓርኛ ዝምህራ ኣብያተ-ትምህርቲ’ውን ተመስሪተን። ካበየ ርሑቕ ሰፈር ይምጽኡ ብዘየገድስ ድማ ንተወላዶ ኣምሓራ መሬታን ኣባይቲን ብኣሽሓት ዓዲሎም። ኣሰፋው እምበኣር ሓደ ካብቶም በዚ መስርሕ’ሲ ዝተጣየሰ’ዩ። እቲ ሃንደበት ዝመጸ ለውጢ ንገሊኣቶም፡ ካብ ክቱር ተሓጓስ ክኣምኑዎ’ውን ኣጸጊሙዎም’ዩ። ስዩም በሪሁ ዝተባህለ ሓረስታይ “ዳግም ከም ዝተወልደ” ኢዩ ዝነግር። “ወዲ 58 ዓመት ደኣ ይዅን እምበር፡ ሕጂ እውለድ ከም ዘለኹ’ዩ ንነብሰይ ዘእምና። ዝሓለፈ ህይወተይ ረስዓዮ፡ ትርጕም ኣይነበሮን። እዚ ምግንና ኣይኮንነ፡ ናይ ብልበይ’የ ተሓጒሰ” ክብል ድማ ይገልጽ። “ሞትን ህይወትን” ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ተወላዶ ኣምሓራ ኣብ ዝኣተዉሉ፡ ክንድኦም ዝኾኑ ተጋሩ ድማ መንበሪኦም ገዲፎም ንሱዳን ወይ ድማ ውሑስ ናብ ዝበለዎ ካልእ ቦታታት ትግራይ ግዒዞም። እቲ ምብዳም ህዝቢ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ኮይኑስ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን’ውን ኣብ ወርሒ መጋቢት “ምጥፋእ ዓሌት ይፍጸም ኣሎ” ክብሉ ንባይቶ ኣመሪካ ተዛሪቦም ነይሮም። ላዕለዎት መራሕቲ ኣምሓራ፡ ነቲ ክሲ ይንጸጉዎ ደኣ’ምበር፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ምዕራባዊ ትግራይ ምምሕዳሩ ምስ ክልል ኣምሓራ ምዃኑ ይዛረቡ። ጋዜጠኛታት ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ሑሙራ ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን’ውን፡ ኣምሓደርቲ ኣምሓራ፡ ነቲ ዘሎ ሰላማዊ ኩነታት ከርእዩ ፈቲኖም’ዮም። ንተጋሩ ክወጹ ዘገድዶም ኣካል ከም ዘይነበረ ንምርኣይ ድማ ኣብቲ ዓዲ ተሪፎም ዘለዉ ተወላዶ ትግራይ ንምርኣይ ጽዒሮም። ወዲ 67 ዓመት ተስፋዬ ወልደገብርኤል ሓደ ካብቶም በቲ ኲናት ኣመና ተሻቒሎም ዝነበሩ’ሞ ዝኾነ ጸገም ከም ዘየጓነፎም ዝዛረቡ ትግራዋይ’ዮም። ሰበ-ስልጣን ኣምሓራ ብዝኣተዉሎም ናይ ውሕስነት ቃል ምጽናሖም ድማ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ሓቢሮም። እቶም ዝሃደሙ ተጋሩ ምስ ህወሓት ኢድ ዘለዎም ምዃኖም ከኣ ይዛረቡ። “ሓደ መንግስቲ ከይዱ ካልእ መንግስቲ ክመጽእ እንከሎ፡ ብሓጐስ ክትቅበሎ ኣለካ” ድማ ይብሉ። ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ግን ዝተፈልየ ስእሊ’ዩ ዝህብ። ተደጋጋሚ መጥቃዕቲን ተዅሲን ዕረፍቲ ኣይሃበን። መራሕቲ ትግራይ’ውን ደቂሶም ከም ዘይሓድሩ ተዛሪቦም’ዮም። መራሒ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዶ\/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ቃለ-መሕተቶም፡ ናብቲ ናይ ቀደም ዶባት ክሳብ ዝምለስ ክቃለሱ ምዃኖም ኣመልኪቶም ነይሮም። “እቶም ንብረት መንግስቲ ትግራይን ውልቀሰባትን ዝዘረፉ ኣካላት ቀልጢፎም ከመልሱዎ ንጽውዕ፡” ኢሎም ነይሮም እቶም ፕረዚደንት’ቲ ክልል። “እንተ ዘይኰነ ድማ ብሓይሊ ክንምለሶ ኢና” ኢሎም። ብምውሳኽ ሓይልታት ሰራዊት ፈደራል ፍናኖም ክብ ኢሉ ዘሎ ዝመስል መራሕቲ ክልል ኣምሓራ’ውን ክምህ ከም ዘይብሉ ካብ ምርኣይ ኣይበዀሩን። ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ዝኾኑ ኣገኘሁ ተሻገር፡ ብህወሓት ክመጽእ ንዝኽእል መጥቃዕቲ ንምምካት ህዝቢ ዓቕሙ ከበርክት ይጽውዑ ኣለዉ። ከምኡ ንምግባር ድማ ሓገዝ ዝጣረቐመሉ ናይ ባንክ ሕሳብ እዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ትዊተር ኣካፊሎም። እቲ ኲናት “ሞትን ህይወትን” ክኸውን ምዃኑ ድማ ሓቢሮም ኣለዉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%88-%E1%89%83%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%8A%95%E1%8A%B9%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8B%9D%E1%8B%8D%E1%88%AD-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%8D%8D-%E1%8B%93%E1%88%8C%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%8C%A3%E1%8C%A5-\/5967230.html"} {"headline":"ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህወሓት መጥቓዕቲ ንምፍናው ኣብ ምድላው ከምዝርከብ ተገሊጹ","content":"ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህወሓት መጥቃዕቲ ንፍናው ኣብ ምድላው ይረከብ ኣሎ ኢሉ ሌ\/ና ጀነራል ባጫ ደበሌ። ሎሚ ምሸት መግለጺ ዝሃበ ሓላፊ ምደባ ሓይሊ ሰብ ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ሌ\/ና ጀነራል ባጫ ደበሌ፥ እቲ ሰራዊት ምሉእ ሓይሉ ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ ህወሓት መጥቃዕቲ ንምፍናው ተዳሊና ኣለና ኢሉ። \"መኣስን ኣበይን ከም እነጥቅዕ ወሲና ንሰርሓሉ ዘለና ጉዳይ'ዩ። መኣስ ስጉምቲ ምውሳድ ከም እንጅምር'ውን ኣይንገልጽን ኢና \" ኢሉ። ጀነራል ባጫ ኣተሓሒዙ፥ \"ክንዋጋእ ከለና ንዶባት ሃገርና ኢና ንዋጋእ፥ ዶብና ድማ መረብ'ዩ፥ ዝኾነ ቀይዲ በተኽ ተላዒሉ ንእትዮጵያ ክበታትን ዘይክእል ምዃኑ ክነርእዮ ኢና፥ ከም ሰራዊት ምክልኻል መጠን ኣበይ ክንሰፍር ከም ዘለና ወሰንቱ ባዕልና ኢና \" ኢሉ። ህወሓት ኣብ ኮረምን ኣላማጣን ንዝርከቡ ውሱናት ዝበሎም ኣባላት ሰራዊት ንምድምሳስ ፈተነ ምግባሩ'ውን ሌ\/ጀነራል ባጫ ተዛሪቡ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%8A%93%E1%8B%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5965959.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ አባል ኣመራርሓ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ሸሞንተ ወርሑ ኣቑጺሩ ዝርከብ ቅልውላው መፍትሒ ንምርኻብን ሓረስታይ እዋን ፅሞና ረኺቡ ስራሕቲ ሕርሽኡ ከሳልጥ ተባሂሉ በይናዊ ምቁራፅ ተፃብኦ ምእዋጁን ሰራዊቱ ካብ መላእ ትግራይ ምውፅኡን ገሊፁ ነይሩ ። ሓይልታት ትግራይ ድማ ብዘርኣይዎ ፀብለልታዊ መጥቃዕቲ ደፊኡ ከምዘውፀኦምን ቃልሱ ከምዝቅፅልን ኣመራርሓ ማእከላይ ኮማንድ ትግራይ ምግላፁ ዝዝከር እዩ ። ነዚ ስዒቡ ድማ ዛጊት ብኣንፈታት ደቡብን ምዕራብን ትግራይ ንሓይልታት መንግስቲ ፌደራልን ክልል ኣምሓራን ደፊኡ ንኸተማታት ኮረምን ኣላማጣን ከምኡ'ውን ከባብታት ፀለምትን ኣብ ቁፅፅር ምእታዉ ትማሊ ኣባል ኣመራርሓ መንግስቲ ትግራይን ወሃቢ ቃል ማእከላይ ኮማንድ ትግራይን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ተዛሪቦም ። ኣቶ ጌታቸው ረዳ ድሕሪ ሸሞንተ ኣዋርሕ ንፈለማ እዋን ምስ ራድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ዘካየድዎ ቃለ መሕተት ቐዳማይ ክፋል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ካልኣይ ክፋል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%AD%E1%88%93-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%8C%8C%E1%89%B3%E1%89%B8%E1%8B%8D-%E1%88%A8%E1%8B%B3-(1%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%8D%8B%E1%88%8D)\/5965892.html"} {"headline":"'ህዝቢ ትግራይ ናይ ዝኾኑ ይኹን ህዝቢ ጸላኢ ኣይኮነን' ዶ\/ር ደብረጽየን ገ\/ሚካኤል","content":"ፕረዚደንት መንግስቲ ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል “መሬት ትግራይ ወሪሮም ዝሓዙ ሓይልታት ብህጹጽ ካብ ዝሓዙዎ ቦታ ክወጹ ይግባእ እንተዘይኮይኑ፡ መሰልና ከነኽብር ኢና” ኢሎም። ዶክተር ደብረጽዮን ድሕሪ ብዙሕ ኣዋርሕ ንፈለማ እዋን ብቛንቋ ኣምሓርኛ ኣብ ዝመሓላለፉዎ መልእኽቲ “ህዝቢ ትግራይ ናይ ዝኾነ ይዅን ህዝቢ ጸላኢ ኣይኮነን” ኢሎም። ምስኡ ኣብ ዝተተሓሓዘ ዜና፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተወለድቲ ትግራይ፡ ይቕተሉ፡ ይእሰሩ ካብ ስራሖም ይባረሩ ንብረቶም’ውን ይዝረፍን ኣሎ” ክብል ከሲሱ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8A%BE%E1%8A%91-%E1%8B%AD%E1%8A%B9%E1%8A%95-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8C%B8%E1%88%8B%E1%8A%A2-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8A%AE%E1%8A%90%E1%8A%95-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%8C%BD%E1%8B%A8%E1%8A%95-%E1%8C%88-%E1%88%9A%E1%8A%AB%E1%8A%A4%E1%88%8D\/5965887.html"} {"headline":"መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ካብ ምክልኻል ናብ መጥቓዕቲ ምስግጋሩ ኣፍሊጡ","content":"ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ ከፊቱዎ ዝበሎ መጠነ ሰፊሕ ወራር ንምምካት ካብ ምክልኻል ናብ ምጥቃዕ ምስግጋሩ ገሊፁ። ዋና ዳይረክተር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ ግዛቸው ሙሉነህ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ሰብኣዊ ረድኤት ንክባፃሕን ንሓረስቶት ናይ ሕርሻ እዋን እዩ ብዝብል ዝተወሰደ በይናዊ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ህወሓት ንመለዓዐሊ ኵናት ተጠቒሙሉ ኢሎም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8C%8D%E1%8C%8B%E1%88%A9-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1-\/5965870.html"} {"headline":"ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 1,146 ሰባት ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ምቁራጽ ምሟቶም ተገሊጹ","content":"ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት (IOM)ናብ ኣውሮጳ ንምብጻሕ ንማእከላይ ባሕሪ ብምስጋር ዝግበር ጉዕዞ ምስናይ ዝሓለፈ ዓመት ክወዳደር ከሎ ኣብዚ ፍርቂ ዓመት በዝሒ ዝሞቱ ሰባት ብልዕሊ ዕፅፊ ከምዝወሰኸ ገሊፁ። እቲ ትካል ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ናይ 2021 ፈላሞት ሽድሽተ ኣዋርሕ ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ ሰባት ብውሑዱ 1,146 ምሟቶም ገሊጹ። መብዛሕቲኦም ንማእከላይ ባሕሪ ከቋርፁ ከለው ብዘጋጥም ሓደጋ ምሟቶም'ውን ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ወሲኹ ሓቢሩ።ብዝሒ ንምስጋር ይፍትኑ ዘለው እውን ይውስኽ እዩ ዘሎ።ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ልዕሊ 31, 500 ሰባት ብሰበስልጣን ሰሜን ኣፍሪቃ ህይወቶም ድሒኑ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%88%88%E1%8D%88-%E1%88%BD%E1%8B%B1%E1%88%BD%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B0-2021-1-146-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%88%AE%E1%8C%B3-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8C%89%E1%8B%93%E1%8B%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8D%88%E1%89%B0%E1%8A%95%E1%88%89-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5965854.html"} {"headline":"መግለጺ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ህልው ኩነታት","content":"ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ንህዝቢ ትግራይ ዘለና ሓልዮትን ንማሕበረሰብ ዓለም ዘለና ቦታን ንመጨረሽታ ግዜ ኣርኢና ኢና ኢሉ። ንህዝብና ክንብል ዝኸፈልናዮ ዋጋ ብሰንኪ ዘይተረድኦም ድኹማት ምኽንያት ውጽኢት ኣየምጽአን ዝበለ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ፡ `ጁንታ` ኢሉ ዝጽውዖ ህወሓት ፡ንህልውና ኢትዮጵያ ቀንዲ ጸላኢ ምዃኑ ዳግም የመስክር ኣሎ ኢሉ። ቀዳማይ ሚስንተር ኣቢይ ኣተሓሒዙ ንህጻናትን መንእሰያትን ብኣደንዛዚ ሓሺሽ እናዕበደ ናብ ኩናት ይኣጉዶም ኣሎ ሰራዊት ምክልኻል ድማ ነዞም ህጻናት ወተሃደራትናይ ምድሓን ሞራላዊ ግዴታ ወዲቕዎ`ሎ ኢሉ። ነዚ ኹሉ ኣብ ግምት ብምእታው መንግስቲ ኩሉ ዘድሊ ነገር በቲ ዝግባእ መንገዲ ክገብሮ`ዩ ኢሉ ዝበለ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ብዛዕባ ዝውሰድ ስጉምቲ ግን ዝርዝር ኣይሃበን። ብኻልእ ወገን ሰራዊት ምክልኻል ትእዛዝ ኣብ ዝተዋህቦ እዋን ዘድሊ ዘበለ ስጉምቲ ክወስደሉ ኣብ ዝኽእል ዓቕሚ ከምዝርከብ ሓላፊ ርክባት ህዝቢ ሰራዊት ምክልኻል ኮ\/ሌ ጌትነት ኣዳነ ኣፍሊጡ`ሎ። ንባዕሉ ናይ ትግራይ መከላኸሊ ሓይሊ ኢሉ ዝጽውዕ ህወሓት ዝመርሖ ሓይሊ፡ ንኣላማጣን ኮረምን ምቁጽጻሩ ድሕሪ ምግላጹ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ንመጀመርያ ግዜ ብጽሑፍ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ 'ጁንታ' ኢሉ ዝጸውዖ ህወሓትን ንዓለም-ለኸ ማሕበረሰብን ነቒፉ`ሎ። ነቲ ግጭት ናብ ዝሓመቐ ኩነታት ንዘይምውሳድ ንእዋን ሕርሻ ዕድል ንምሃብ ከምኡ`ውን ቀረባት ረድኤት ብዘይ ምስምስ ንክሳለጥ ክንብል ኣብ ሰብኣውነት ዝተመስረተ በይናዊ ተኹሲ ደው ምባል ጌርና ዝበለ ዶ\/ር ኣቢይ ኣሕመድ ፡ንሰላም ዝተወሰነ ዋጋ ከምዘኽፍለና ንፈልጥ`ኳ እንተኾና እዚ ግን ናይ መጨረሽታ ሰለማዊ ዕድል`ዩ ኢሉ። ኣስዒቡ ፡\"ድሙ እንተመንኮሰት`ውን ኣመላ ኣይትርስዕን`ያ ከምዝብሃል፡ ጁንታ መንገዲ ሰላም ክወሓጠሉ ኣይክኣለን። በዚ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ ዓቕሚ ከይተረፈ ብዘይ ግጭት ውዒሉ ክሓድር ኣይክእልን`ዩ\" ኢሉ። ንህዝብና ክንብል ዝኸፈልናዮ ዋጋ ብሰንኪ ዘይተረድኦም ድኹማት ምኽንያት ውጽኢት ኣየምጽአን ዝበለ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣብቲ መግለጺኡ፡ \" ጁንታ ንህልውና ኢትዮጵያ ቀንዲ ጸላኢ ምዃኑ ዳግም የመስክር ኣሎ። ነዚ ድማ ንምሉእ ህዝብና ኣተሓባቢርና ክንዓጽፎ ኢና። ብሓደ ወገን ሰብኣዊ ረድኤት ክቀላጠፍ እናሰራሕና፡ በቲ ሓደ ወገን ድማ ናይ ወጻእን ውሽጥን ጸላእትና ተናቢቦም ዝኸፈቱልና መጥቃዕቲ መኪትና ክንዓጽፎ ኢና\" ይብል ። ኣተሓሒዙ \"እቲ ጁንታ ኣብ በዓቲ ኣትዩ፡ ህዝቢ ብጥምየት ክውዳእ`ዩ እናበለ የማርር ኔሩ። ንህዝቢ ተባሂሉ ተኹሲ ደው ምስ ኣበልና ድማ ነቲ ናይ ጥምየት ኣጀንዳ ገዲፉ ናይ ኩናት ነጋሪት ክወቅዕ ጀሚሩ\" ኢሉ። መግለጺ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ\"ዓለም-ለኸ ማሕበረ-ሰብ ብዛዕባ ረድኤትን ጥምየትን ክዛረብ ምጽንሑ ረሲዑ፡ እቲ ጁንታ ንህጻናት ከሰልፍ ከሎ ከይተረፈ ስቕታ መሪጹ`ሎ\" ይብል ። መተሓላለፊ መስመራት ረድኤት ናይ ግጭት ቦታታት እናገበሮም ከሎ፡ ትካላት ረድኤት ሕጂ`ውን ንመንግስቲ ምውቃስ ደስ ይብሎም ዝበለ ዶ\/ር ኣቢይ፡ ነዚ ኹሉ ኣብ ግምት ብምእታው መንግስቲ ኩሉ ዘድሊ ነገር በቲ ዝግባእ መንገዲ ክገብሮ`ዩ ኢሉ። ኣስዒቡ፡\"ህዝብና ካብ ናይ ሓሶት ሓበረታን ካብ ናይ ጸላኢ ፕሮፓጋንዳን ንባዕሉ ከርሕቕ ሕጂ`ውን ክነተሓሳስብ ንደሊ፡ጁንታን መሻርኽቶምን ዘለዎም ዓቕሚ ሓሶት ምፍብራኽ ጥራይ`ዩ፡ ናይ ውሽጥን ወጻእን ሓይልታት ንፖሮፓጋንድኦም ኣወሃሂዶም ንህዝብና ንምክፍፋል ይሰርሑ`ለዉ\" ኢሉ። ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድነዚ ድማ ህዝብና ከም ናይ ቅድሚ ሎሚ ከም ሓደ ሰራዊት ኮይኑ ንህልውና ሃገሩ ደው ብምባል፡ ንሰራዊት ምክልኻል ብኹሉ ነገር ብምድጋፍ ናይ ወጻኢ ተጽዕኖን ናይ ውሽጢ ትኹተዃን ክምክትን ክዓጽፍን መጸዋዕታ ነቕርብ ይብል :: እቲ ቀዳማይ ሚንስተር መንግስቲ ኣድላዪ ዝበለ ነገር ኩሉ ክንገብር ኢና ካብ ምባል ንላዕሊ ብዛዕባ ዝውሰድ ስጉምቲ ዝበሎ ነገር የለን። እንተኾነ፡ ሰራዊት ምክልኻል ትእዛዝ ኣብ ዝተዋህቦ እዋን ዘድሊ ዘበለ ስጉምቲ ክወስደሉ ኣብ ዝኽእል ዓቕሚ ከምዝርከብ ሓላፊ ርክባት ህዝቢ ሰራዊት ምክልኻል ኮ\/ሌ ጌትነት ኣዳነ ኣፍሊጡ`ሎ። ኮሌኔል ጌትነት ኣተሓሒዙ ስጉምቲ ተኹሲ ደው ምባል ብካላሽንን መድፍዕን ጥራይ ኣይኮነን ብቓላት ካብ ምውርዋር ምቑጣብ`ውን ዘጠቓለለ`ዩ ድሕሪ ምባል፡ መኣስን እንታይን ክንገብር ከምዘለና ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና፡ ሰራዊት ምክልኻል ትእዛዝ ኣብ ዝበጽሖ ግዜ ኣድላይ ዘበለ ስጉምቲ ክወስድ ኣብ ዝኽእለሉ ቑመና ከምዝርከብ ኣፍሊጡ። መንግስቲ በይናዊ ተኹሲ ደው ምባል እንተኣወጀ`ኳ፡ ሓይልታት ህወሓት ንራያን ሑመራን ወሲኽካ ምትኹታኽ እንተገይሩ ከቢድ ዓጸፋዊ ክውሰደሉ ክብል`ውን ዋና ኣተሓባባሪ ዓቕሚ ሰብ ሰራዊት ምክልኻል ሌና ባጫ ደበሌ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ተዛሪቡ ኔሩ`ዩ፡: ብኻልእ ወገን፡ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ፡ ካብ ሎሚ ጀሚሩ፡ ካብ ምክልኻል ናብ ምጥቃዕ ምስግጋሩ ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን`ቲ ኽልል ግዛቸው ሙሉነህ ኣፍሊጡ`ሎ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%88%8D%E1%8B%8D-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5\/5965636.html"} {"headline":"ኣሜሪካ: ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ 6 ሃገራት ጅምላዊ ህልቂትን ግፍዒ ይፍጸም ከምዘሎ ሓቢራ","content":"ኣብ ሽዱሽተ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ኣሜሪካ ሽዱሽተ ማያንማር(በርማ)፣ ቻይና፣ ኢትዮጵያ፣ ሶርያን ሱዳንን፣ ጅምላዊ ህልቂትን ግፍዒን ይፍጸም ከምዘሎ ኣሜሪካ ኣፍሊጣ። ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንተንይ ብልንክን ትማሊ ሶኒይ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እቲ ወግዓዊ ኮይኑ ዘሎ ሪፖርት \"ምውጋድ ጅምላዊ ህልቂትን ግፍዒን\" ዝብል ከምዝኾነ፣ እተን ዝተጠቀሳ ሃገራት፣ ንፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ገለ ካብ’ቶም ብርቱዓት ብድሆታት እዮም ኢሎም። \"ኣብ ኢድና ዘሎ መሳርሕና ብሙልኡ ክንጥቀመሉ ኢና። ዲፕሎማሲ፣ ንሃገራት ንልግሶ ደገፍ፣ መስርሕ ምጽራይን ምንዳይ ሓቅን፣ ፋይናንሳዊ ዓቅምን ጽምዶን። ከምዚኦም ዝበሉ ሪፖርታት፣ ኣፍልጦና ዘዕዝዝን ውሁድ ዓለምለኸ ጸቅጢ ንክፍጠር ዘሕግዝን እዩ። ውጽኢቱ፣ ብደረጃ ዓለም ግፍዒታት ንክንቆጻጸሮም ብደረጃ መንግስታት ንክንነጥፍ እዩ ዘሕግዝ።\" ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ መግለጺ ዘውጸአት ኣሜሪካ፣ ቻይና ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ክልል ዥያንግ ዝርከቡ ማሕበረ ሰባት ኡጉር ጅምላዊ ህልቂት ከምዝፈጸመት ኣረጋጊጸ ኣለኹ ከምዝበለት ዝዝከር እዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%95%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%93%E1%8B%8A%E1%88%B1-%E1%8A%A3%E1%89%A5-6-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8C%85%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%85%E1%88%8D%E1%89%82%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8C%8D%E1%8D%8D%E1%8B%92-%E1%8B%AD%E1%8D%8D%E1%8C%B8%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AB-\/5964531.html"} {"headline":"ኣሜሪካ- ሓይልታት ትግራይ:ክልል ኣምሓራን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ናብ ምቑራጽ ተኹሲ ዘምርሕ ልዝብ ክኣትው ደጊማ ጸዊዓ","content":"ሓይልታት ትግራይ፣ ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ሰራዊት መከላኸሊ ኢትዮጵያን፣ ንረብሓ ሰላማዊያን ሰባት’ቲ ክልል ንምርግጋጽን ንሓድነት ኢትዮጵያን ኢሎም፣ ናብ ምቁራጽ ተኹሲ ዘምርሕ ልዝብ ንክበጽሑ ኣሜሪካ ደጊማ ጸዊዓ። ኣብ ክልል ትግራይ ኣንጻር ሰላማዊያን ሰባት ብዝኾነ ወገን ዝፍጸም ስጉምቲ ሕነ ምፍዳይ ኣትሪርና ንኹንን። ኩሎም ሓይልታት፣ ንዓለምለኸ ሕግታት ምክልኻል ሰላማዊያን ሰባት ክትግብሩን ኣሜሪካ ጸዊዓ። እቲ መግለጺ ንዓለም ለኸ ሕጊ ዝጥሕሱ ኩሎም ወገናት ክሕተቱ ኣለዎ’ውን ይብል ። መግለጺ ሚኒስትር ወጻኢኣሜሪካ ደጋጊምና ከምዝበልናዮ፣ ንውሽጣዊን ኣህጉራዊን ወሰንን ዶባትን ብሓይሊ ንምልዋጥ ምፍታን ተቀባልነት ዘይብሉ እዩ፣ ከምዚኦም ዝበሉ ጉዳያት፣ ሃገራዊ ኣገዳስነት ስለዘለዎም ጉዳይ ኢትዮጵያዊያን ስለዝኾነ ብልዝብ ናይ ህዝቢ ክፍትሑ ኣለዎም ይብል ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB--%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%89%91%E1%88%AB%E1%8C%BD-%E1%89%B0%E1%8A%B9%E1%88%B2-%E1%8B%98%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%88%8D%E1%8B%9D%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%8D-%E1%8B%B0%E1%8C%8A%E1%88%9B-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%93\/5964521.html"} {"headline":"መግለጺ ክልል ኣምሓራን መጥቓዕቲ ሓይልታት ክልል ትግራይን","content":"ሓይልታት ትግራይ፣ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ መጥቃዕቲ ፈንዩ፣ ንከተማ ኮሮም ሓዊሱ ዝተፈላለየ ከባቢታት ከምዝተቖጻጸረ ገሊጹ። ወሃቢ ቃል እቲ ሰራዊት ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ፡ ሓይልታት ትግራይ፣ ካብ 50 ክሳብ 60 ኪሎ-ሜተር ዝሽፍኑ ቦታታት ካብ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሓይልታት ኣምሓራን ከም ዝመዝንዝዐ ገሊጾም ኣለው። መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ብወገኑ መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ። እቲ መግለጺ \"መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝወሰዶ በይናዊ ምቁራጽ ተኹሲ፣ ከምጽቡቅ ኣጋጣሚ ተጠቂሙ፣ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ህዝቢ ክልል ኣምሓራን መጠነ ሰፊሕ ወራርን መጥቓዕትን ጀሚሩ ኣሎ። ኩሎም ኢትዮጱያዊያን ነዚ ጉጅለ ራዕዲ ንዝጀመሮ ግልጺ ወራር ከምዝኹንንዎ፣ ናይ ኩሉ ሻዕ ምሕዝነቱ አሓይሉ ከምዝቅጽል ፈጺምና ኣይንጠራጠርን ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፣ መንግስቲን ህዝቢን ኢትዮጵያ ከምዝፈልጥዎ፣ ህዝቢን መንግስቲን ክልል ኣምሓራ፣ ቀጥታዊ ግዳይ መጥቓዕት’ዚ ጉጅለ ራዕዲ እዩ፣ ስለዝኾነ ቃልስና ንህልውና ህዝብናን ሉኣላዊነት ሃገርን ከምዝኾነ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ንሓባራዊ ጸላኢ ብሓባር ክንፋለሞ ናይ ሓባር ጻውዒት ነቅርብ ኣለና\" ይብል። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8A%AE%E1%88%A8%E1%88%9D-%E1%88%93%E1%8B%8A%E1%88%B1-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A8-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%8C%BB%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/5964500.html"} {"headline":"ሓይልታት ክልል ትግራይ ንኮረምን አላማጣን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ምእታዎም ተገሊጹ","content":"'ወፍሪ ኣሉላ ኣባ ነጋ' ኢሎም ዝሰየሙዎ ወታሃደራዊት ስርሒት ስዒቡ ኣብዚ እዋን ኣብ ደቡብ ትግራይ \"ወፍሪ ኣዴታት ትግራይ\" ብዝብል ብሓይልታት ትግራይ ዝተሰየመ ወፍሪ ዝተወረረ መሬት ትግራይ ብምምላስ ንኮረምን ኣላማጣን ኣብ ቁፅፅር ሓይልታት ትግራይ ምእታዎም ኣማኻሪ ክልላዊ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም። ካብ ከባብታት ደቡብ ትግራይ ብሳተላይት ስልኪ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕተት \" እዚ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ምስ ህዝቢ ኣምሓራ ከተሓሕዝዎ ይፍትኑ እኳ እንተለዉ ህዝቢ ኣምሓራ ምስ ምዕማፅ ህፃናት ምስ ምቕታል ኣዴታትን ፀላኢ ሃገር ዓዲምካ ዓዲ ምስ ምውራር ፣ንብረት ምስ ምዝራፍ ዝተሓሓዝ ክብሪ የብሉን\" ኢሎም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8A%AE%E1%88%A8%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%8A%A0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%8C%BD%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5964471.html"} {"headline":"ሕቡራት ሃገራት ሰራዊት ኤርትራ ብቅልጡፍ ካብ ትግራይ ክወጽእ ጸዊዑ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ዝገምገመ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ካብ ሕዳር ጀሚሩ ይካየድ ኣብ ዘሎ ውግእ ንዝተፈጸሙ ከበድቲ መግሃስቲታት መሰላት፣ ምጥሓስ ዓለምለኸ ሰብኣዊ ሕግታትን ስደተኛታትን ከምዘሻቀሎ ገሊጹ። ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ውሳንኡ \"ሰራዊት ኤርትራ፣ ብህጹጽን ክረጋገጽ ብዝካኣል ኣገባብን ካብ ክልል ትግራይ ንክወጽእ\" ጸዊዑ። እቲ ቤት ምክሪ ወሲኹ \"ኣብ ክልል ትግራይ፣ ኣብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተሳተፉ ናብ ፍርዲ ንክቀርቡ፣ ተሓታታይነት ብዘምጽእ ኣገባብ ንክትግበርን\" ኣተሓሳሲቡ። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ውሳንኡ \"ኩሎም ወገናት፣ ንሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤትን አቁሑቶምን ክከላኸሉ፣ ሰራሕተኛታት ሕክምናን ኣቁሑቶምን ካብ መጥቓዕቲ ክሕልው፣ ሆስፒታላትን ካልኦት ማእከላት ጥዕናን፣ ሰብኣዊ ረድኤት ብሰላም ንክተሓላለፍ\" መጸዋዕታ ኣቅሪቡ ኣሎ። ኣብ’ቲ ዝተካየደ መስርሕ ድምጺ፣ 20 ሃገራት ነቲ ውሳነ ደጊፈን፣ 14 ሃገራት ተቃዊመን፣ 13 ሃገራት ድምጸ ተኣቅቦ መሪጸን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%95%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8C%88%E1%88%9D%E1%8C%8A%E1%88%99-\/5964441.html"} {"headline":"ትካል ስደተኛታት ሕ\/ሃ ኩነታት ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ከምዘሻቅሎ ገሊጹ","content":"ላዕለዋይ ኮምሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዲ ኩነታት ኣብ ክልል ትግራይ ዘለው ኤርትራዊያን ስደተኛታት ከምዘሻቀሎም ገሊጾም። ኮምሽነር ፍሊፖ ግራንዲ ካብ ሕዳር ጀሚሩ ብሰንኪ ዝተወለዐ ውግእ፣ እቶም ስደተኛታት ኣብ ህውከትን ጸገም ሰላምን ተቀርቂሮም ከምዝርከቡ’ውን ጠቂሶም። እቶም ኮምሽነር \"ክልተ መዓስከር ስደተኛታት ሙሉእ ንሙሉእ ዓንየን’የን፣ ዓሰርተታት ኣሻሓት ስደተኛታት ሃዲሞም፣ ምስ’ዚ ሓይሊ’ዶ ምስ’ቲ ካልእ ወጊንኩም ተባሂሎም፣ ስጉምቲ ሕነ ምፍዳይ ከምዝተወሰደሎም ናይ እማን ጭብጢታት በጺሑና አሎ’ ይብሉ ። ኣብ መዓስከራት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን፣ ብዝተፈላለዩ ሓይልታት፣ ብለይቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ገበናዊ መጥቓዕቲ ከምዝተፈጸመ’ውን ገሊጾም። ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ሰሙናት፣ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራዊያን ኣብ ሽረ ከምዝተኣሰሩ ብምግላጽ እሱራት ስደተኛታትን ሓተቲ ዕቁባን እንተሃልዮም ንክፍትሑ ንሰበ ስልጣን መቐለ ሓቲትና ኣለና’ውን ኢሎም። ብዛዕባ’ቶም ይቃልሑ ዘለው ከበድቲ ገበናት፣ ምጽራይ ንክግበረሎም፣ ንፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን መጸዋዕታ ከምዝቀረበ’ውን ፍሊፒ ግራንዲ ጠቂሶም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%BB%E1%89%85%E1%88%8E-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5964286.html"} {"headline":"ተወለድቲ ትግራይ ከም ብሓዱሽ በብዝሒ ይእሰሩን ኣለው","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ብዝዘለቐ ግጭት ዘርኢ ዒላማ ዝገበረ ሓዱሽ መጥቓዕቲ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣሽሓት ተወለድቲ ትግራይ ብሰበስልጣን ይእሰሩን ናይ ንግዲ ትካላቶም ይዕፀውን ኣለው ክብሉ መሰኻኽር ገሊፆም። ወታደራት ኢትዮጵያ ካብ ከተማ መቐለ ምስ ኣንሰሓቡን መንግስቲ በይናዊ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ስጉምቲ ድሕሪ ምውሳዱን ዳግም ዝተልዓሉ ሓይልታት ትግራይ ናብ ዋና ከተማ መቐለ ምእታዎም ስዒቡ ዝተኸሰተ ዘደንቕ ለውጢ ስዕቡ እዩ እቲ ማእሰርቲ ከም ብሓዱሽ ቐፂሉ ዘሎ። ኣብ ትግራይ ሰባት ንምሕጋዝ ንምግብን ካሊእን ገንዘብ ዘተኣኻኸበትን ኣብ ልዕሊ ስቪላት ንዝተፈፀመ ግፍዒ ድምፃ ክተስምዕ ዝፀንሐትን 32 ዓመት ዝዕድሚኣ ጠብቓ ሕጊ ሜሮን ኣዲስ ንኣሰሺየት ፕረስ (AP) ኣብ ዝሃበቶ ቃለ ምልልስ ክልተ ናይ ስቪል ዝተኸደኑ መኮነናት ፖሊስ 21 ሰነ 2013 ዓ\/ም ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኣ መፂኦም ኣፅዋር ብምቕማጥ ከምዝኸሰሱዋ ትዛረብ።ስዒቡ ዩኒፎርም ዝተኸደኑ ዓሰርተታት ፖሊሳት ብዘይ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ንገዝኣ ከምዝፈተሽዎ ትገልፅ። ዝኾነ ይኹን ኣፅዋር ከይረኸቡ ምስ ተረፉ ናብ ፖሊስ ጣቢያ ወሲዶም ንሓይልታት ትግራይ ደጊፍክን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፅልኢ ዘርጊሕኽን ብዝብል ተኸሲሳ። ፖሊስ ን’ጁንታ ትሕግዝ ከምዝፀንሐት ነጊሩዋ።’’ናይ ህፃናትን ግዳያት ኲናትን ጥምየትን ፆታዊ ግሰትን ዝገልፅ ኣብ ፌስቡክ ብምልጣፍ ኣብ መንጎ መንግስትን ህዝቢ ትግራይን ቅርሕንቲ ትፈጥሪ ኣለኺ’’ ኢሎምኒ ትብል።ንሳ ምስ ተፈትሐት ካልኦት ክልተ ኣዝማዳ ተኣሲሮም። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈትሐ ካሊእ እሱር ዓሰርተታት ተጋሩ ኣብ ወሰን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ማእኸል ከምዝተትሓዙ ንAP ገሊፁ። ‘’ፈለማ ምስ ተዋጋእቲ ትግራይ ርክብ ከምዘለና ከም እንጥርጠር ነጊሮምና።ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ አተና ግን ንኣሸበርቲ ንምሕጋዝ ገንዘብ ከምእንልእኽ ክኽሱና ጀሚሮም።ብሓይልታት ትግራይ ዝተማረኹ ኢትዮጵያዊያን ክሳብ ዝፍትሑ ከመይፍትሑና እውን ይገልፁልና ነይሮም’’ ኢሉ ንሱ። ‘’ዋላ ሓዴና እውን ናብ ቤት ቤት ፍርዲ ኣይቀረብናን’’ኢሉ ብምውሳኽ።ከምቶም ካልኦት ንድሕነቱ ብምስጋእ መንነቱ ኣየገለፀን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ፌደራል መንግስቲ ንናይ ትግራይ ገዛኢ ፓርቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ኢሉ ስለ ዝመደቦ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከቡ ተራ ስቪላይ ወይድማ ተወለድቲ ትግራይ ተፈፂሙ ዝብሃል ግፍዕታት ኲናት ክዛረቡን ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍእ ዓፀቦ ኣንፀላሊዩዎም ዘለው ኣማእቲ ኣሽሓት ናብ ዝነብርሉ ክልሎም ረድኤት ክልእኹእንተደለዩን እውን ኣብ ከቢድ ፀቕጢ ይርከቡ። ሓይልታት ኢትዮጵያ ምስ ኣንሰሓቡ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ተራ ሰባት ወይ ተጋሩ ንተዋጋእቲ ትግራይ ደጊፎም ክብሉ ኸሲሶም እዮም። እቲ ሓዱሽ ማዕበል ማእሰርቲ ብሰበስልጣን ፀጥታ ወግዓዊ ኣፍልጦ ኣይተውሃቦን።ወሃቢ ቃል ፖሊስ ፌደራል ጀይላን ኣብዲ ንሕቶታት AP ኣይመለሱን ግን ፌደራል ፖሊስ Addis Standard ንዝተብሃለ ሚዲያ ዘርኢ መሰረት ገይርና ኣይንኣስርን ክብል ተዛሪቡ ኣሎ። ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን ንማእሰርቲ ተወለድቲ ትግራይን ኣብ ትግራይ ምስ ዘሎ ኩነታት ተኣሳሲሩ ንዝተፈፀመ ማእሰርቲ ሰራሕተኛታት ሚዲያን ይከታተሎ ከምዘሎ ሓቢሩ።’’ከምዚ ዝበሉ ስጉምትታት ሓደጋ መንነት መሰረት ዝገበሩ መጥቓዕቲ ክፍፀመና እዩ ዝብል ህዝባዊ ስኽፍታ ዘጋድድ እዩ’’ኢሉ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ። ንAP ቃሉ ዝሃበ ኣክቲቪስት እቶም ማእሰርትታት ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዝፍፀም ዘሎ ይመስል ይብል። ሰብ ሙያ ሕጊ ተወለድቲ ትግራይ ንኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝለኣኹዎን ኣብ ኢድ AP ዝኣተወን ደብዳበ ናይ ኣሽሓት ሰባት ዕፃ ኣይፍለጥን ይብል።’’ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብያተ ምግቢ፣ባራት፣ካፌታትን ካልኦት ቦታታትን ሓዊሱ ብተጋሩ ዝውነኑ ኣማእቲ ትካላት ንግዲብምስምስ ስኽፍታታት ፀጥታ ተዓሺጎም ኣለው’’ይብል እቲ ደብዳበ።’’ብዘይ እኹል መርትዖ ንመሰላት ዜጋታት ዝጥሕስ ሓደገኛ ተግባር ስለዝኾነ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ይካየድ ዘሎ ወፍሪ ደው ክብል ኣለዎ’’ ኢሉ እቲ ደብዳበ። ብዓል ሙያ ሕጊ ተስፈኣለም በርሀ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝግመቱ ‘’ተሰዊሮም ኣለው’’ኢሉ ኣሎ። ‘’ስድርኦምን ናይ ሕጊ ጠበቓታቶምን ክበፅሑዎም ኣይተፈቐደሎምን፤ተፈፂሙ ዝብሃል ናይ ገበን ክሲ እውን የለን፤ብንፁር ዘርኢ መሰረት ዝገበረ እዩ’’ ክብል ወሲኹ ይገልፅ ተስፍኣለም። ፀጋዝኣብ ኪዳኑ ዝተብሃለ ኣንፃር ኣብ ትግራይ ዝፍፀም መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ወፍሪ ናይ ዘካይድወለንተኛ ጉጅለ ስቪል ማሕበረሰብኣተሓባባሪ ፒጃማ ተኸዲኑ ቴሌቪዥን ይርኢ ኣብ ዝነበረሉ እዋን 22 ሰነ 2013 ዓ\/ም ከምዝተኣሰረ ስድርኡ ይገልፁ።ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ኣይቀረበን ብወግዒ እውን ኣይተኸሰሰን። ሰበስልጣን ናይ ሕጊ ጠበቕኡ ንዝኾነ ንተስፍኣለም በርሀ ተፈቲሑ ኢሎም እንተተዛረቡዎ እውን ዛጊድ ሃለዋቱ ኣይፍለጥን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/purely-ethnic-profiling-new-wave-of-tigreans-detained\/5964241.html"} {"headline":"ሓይልታት ትግራይ ሓድሽ ወተሃደራዊ ወፍሪ የካይዱ","content":"ወሃብ ቃል ሓይልታት ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንራያ ሓራ ንምውጻእ ሓድሽ ወተሃደራዊ ወፍሪ ምጅማሮም ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ሓቢሮም። እዚ ወተሃደራዊ ወፍሪ ክልተ ሰሙን ድሕሪ መንግስቲ ዝወሰዶ በይንኣዊ ናይ ምቍራጽ ተጻብኦታት ስጕምቲ’ዩ። ኣብ እዋን ጻውዒት ቴለፎን ኣብታ ሓራ ዘውጽኡዋ ከተማ ኣላማጣ ምንባሮም ዝሓበሩ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ንሰራዊት ፈደራልን ሚሊሻ ኣምሓራን “ንሃድኖም” ኣሎና ኢሎም። እቶም ወሃብ-ቃል፡ ኣብቲ ብሰኑይ ከም ዝጀመሩዎ ዝገለጹ ወተሃደራዊ ወፍሪ ንሰፊሕ ደቡባዊ ክፋል ዳግም ከም ዝተቖጸጸሩዎ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ሓቢሮም። ብሰንኪ ብዅረት መስመራት ቴለፎንን ካልእ መራኸቢታትን ነቲ ዝተባህለ ሓበሬታ ብናጻ ምንጪ ምርግጋጹ ኣይተኻእለን። ንቤት-ጽሕፈት መራኸቢታት መንግስቲ ምርካብ’ውን ኣይሰለጠን። ብ 4 ሕዳር ብትእዛዝ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝጀመረ ወታሃደራዊ ወፍሪ፡ ንገዛኢ ሰልፊ ትግራይ (ህወሓት) ካብ መዝነቱ ምእላይን ነቶም “ገበነኛታት” ዝበሎም ሰበ-ስልጣን’ቲ ውድብ ኣብ ቀይዲ ንምእታውን’ዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ከተማ መቐለ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር መንግስቲ ድሕሪ ምእታዋ፡ እቲ ስርሒት ከም ዝተወድአ፡ ማእከላይ መንግስቲ ደኣ ይግለጽ እምበር፡ እቲ ኲናት’ሲ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ቀጺሉ’ዩ። ብ28 ሰነ ሓይልታት ትግራይ ዳግም ንርእሰ-ከተማ መቐለ ድሕሪ ምቍጽጻሮም ድማ፡ ፈደራል መንግስቲ በይንኣዊ ተበግሶ ምቍራጽ ተጻብኦታት ወሲዱ። ሰኑይ ዝጀመረ ወፍሪ እምበኣር ነቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ክልልኣምሓራ ዘሎ ደቡባዊ መሬት ንምምላስ’ዩ። ኣቶ ጌታቸው ረዳ ድማ “ነፍሲ-ወከፍ ስድሪ” መሬት ትግራይ ከምልሱ ምዃኖም ጠቒሶም።እቶም ወሃብ-ቃል ቦታ ደኣ ኣየነጽሩእምበር፡ ንሱዳንን ኤርትራን ኣብ ዘዳውብ ምዕራባዊ ወገን ኲናት ይካየድ ምህላዉ’ውን ሓቢሮም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%8B%88%E1%89%B0%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%88%E1%8D%8D%E1%88%AA-%E1%8B%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/5964195.html"} {"headline":"ኣስታት 10 ሽሕ ዝኾኑ ነበርቲ አላማጣ:ራያን ጥሙጋን ብሰንኪ ስግኣት ኹናት ናብ ቆቦን ወልድያ ምህዳሞም ይገልጹ ኣለው","content":"ኣስታት 10 ሽሕ ዝኾኑ ነበርቲ ከባቢታት ኣላማጣ፡ ዋጃን ጥሙጋን ኩናት ሰጊኦም ናብ ከተማታት ቆቦን ወልድያን ከም ዝሃደሙ ይግለጽ ኣሎ። ሽምና ይትዓቀበልና ንቤተሰብና ስለንሰግእ ዝበሉን ካብ ኣላማጣን ቆቦን ከም ዝመጹ ዝተዛረቡን ነበርቲ ንሕና`ውን ንሰራዊት ምክልኻል ስዒብና ወጺእና`ለና ይብሉ:: ሓደ ካብ ተወላዶ ራያ ምዃኑ ዝገለጸ \"ከም ራያ መጠን ኣብ መሬት ራያ ብናጽነት ምንባር ስኢነ`የ ተፈናቒለ መጽየ ዘለኹ፡ ህወሓት ኣብ ስልጣን ከሎ`ውን ብዙሕ ኣደራዕ ወሪዱና`ዩ፡ ሕብረተሰብ ራያ ኣፍልጦ ይወሃቦ ኢልና ሕቶ ስለዘቕረብና እቲ መንእሰይ ንስደት ዘምርሓሉን ኣብ መርሳን ቆቦን ተዓቑቡ ዝነበረሉን እዋን`ዩ ኔሩ። ድሕሪ ወፍሪ ምኽባር ሰላም ድማ ናብ ዓዱ ተመሊሱ፡ እዚ ህዝቢ`ዚ ግን ብህወሓት ክመሓደር ኣይደልን`ዩ\" ይብል ። ንሱ ኣስዒቡ ሕጂ ድማ ደቂ መኾኒ ዝህረሙንን ዝእሰሩን ኮይኖም: ተዓፊኖም ዝተወስዱ`ውን ኣበይ ከምዝኣተዉ ኣይፍለጡን ኢሉ። ህወሓት ብሸነኽ ኣላማጣን ቆቦን ኩናት ጀሚሮም ኣለዉ ይብል ። ድሕሪ`ዚ ኣሸሓት ቆልዑትን ኣንስትን ዝርከብዎም 30 ኪ.ሜ ብእግሪ ተጓዒዞም ከተማ ቆቦ ምእታዎም እቶም ነበርቲ ይገልጹ፡ ካብ ኣላማጣ ናብ ቆቦ ተፈናቒሎም ዝኸዱ ወሃቢ ርእይቶ ነቲ ለውጢ ይድግፉ ምንባሮም ድሕሪ ምግላጽ ብምኽንያት`ዚ መርገጺኦም ክወርዶም ካብ ዝኽእል ስግኣት ምህዳሞም ይገልጹ:: \"ካብ ኣላማጣ ናብ ቆቦ ዝመጻና፡ ደገፍቲ`ቲ ለውጢ ስለዝነበርና፡ ህውሓት ድማ ንደገፍቲ ለውጢ ብግፍዒ ብማእሰርትን ዓፈናን ስለዘከላብት፡ ደቂ ትሸዓተን 10 ዓመት ሕጻናት ከይተረፈ ኣሰሊፉ፡ እዚ ንርእዮ ዘለና ነገር ይገብር ስለዘሎ፡ ናይ ከምዚኦም ግፍዒ ተቛደስቲ ከይንኸውን ሃዲምና መጺና`ለና\" ይብል። እዞም ተፈናቐልቲ ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ከምዘለዉን መንግስቲን ሰብኣዊ ጉድኣት የሕስበና`ዩ ዝብሉ ኣካላት ይርዱኡና ይብሉ ። እቶም ነበርቲ ናይ ህወሓት ሓይሊ ንከተማ ኣላማጣ ብዘይውግእ ምቁጽጻሩ ክገልጹ ከለዉ፡ ካብ ወገን መንግስቲ ዝተዋህበ መብርሂ የለን። ተለቪዥን ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ቀትሪ ፈነውኡ ህውሓት:ንምውጻእ ሰራዊት ምክልኻል ስዒቡ ንኣላማጣ ከምዝተቖጻጸረ ካብ ምግላጽ ሓሊፉ፡ ዝሃቦ ዝርዝር የለን። ብኻልእ ወገን፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተላዕለ ግጭት ብከቢድ ከምዘተሓሳስቦ ድሕሪ ምግላጽ፡ ምግዳድ`ቲ ግጭት ንሰብኣዊ ሓገዝ ክህውኽ`ዩ ኢሉ። v ሓይልታት ትግራይ፡ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ሰራዊት ምክልኻልን ንሓድነት ኢትዮጵያ ንምሕላው፡ ኣበየ ክልላቱ ናይ ዝርከቡ ህዝብታት ድልየት ንምምላእ ናብ መድረኽ ዘተ ንክመጹ`ውን ይጽውዕ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-10-%E1%88%BD%E1%88%95-%E1%8B%9D%E1%8A%BE%E1%8A%91-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8C%A3-%E1%88%AB%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8C%A5%E1%88%99%E1%8C%8B%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%88%B5%E1%8C%8D%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%8A%B9%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%89%B6%E1%89%A6%E1%8A%95-%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%8B%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%9E%E1%88%9D-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B9-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8D\/5964253.html"} {"headline":"መንግስቲ ክልል ትግራይ ሓይልታት ኣምሓራ ካብቲ ክልል ክወጹ ኣጠንቂቑ","content":"ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ካብ ክልል ትግራይ ብህጹፅ ክወፁን ናብቲ ክልል ተወሳኺ ሓይሊ ንምእታው ዝግብርዎ ምንቅስቃስ ድማ ጠጠው ክብል ይግባእ ክብል መንግስቲ ክልል ትግራይ ገሊፁ። መንግስቲ’ቲ ክልል ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ እዚ እንተዘይኮይኑ አድላይ ዘበለ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ንዝፍጠር ሰብኣዊን ንዋታውን ክሳራ ድማ ሓላፍነት ዝወስድ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ’ዩ ኢሉ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%AD%E1%8B%88%E1%8C%B9-%E1%8A%A3%E1%8C%A0%E1%8A%95%E1%89%82%E1%89%91\/5963106.html"} {"headline":"ገዛኢ ፓርቲ ብልጽግና ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ተዓዊቱ","content":"ፓርቲ ብልጽግና ኣብ ምርጫ ብሰፊሕ ተዓዊቱ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ መሪሕነቱ ኣደልዲሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ፡ ገዛኢ ፓርቲ ብልጽግና ካብ 436 መናብር ባይቶ ን410 መናብር ብምዕዋት መሪሕነቱ ኣደልዲሉ። ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ እቲ ምርጫ ናጻን ርትዓዊን ምንባሩ ይገልጽ ኣሎ። መንግስቲ ኣመሪካ ግን “ብዙሕ ሃጓፋት ዝነበሮ ዘይምዕሩይ” ክብል ገሊጹዎ`ሎ። ገለ ተቓወምቲ ፓርትታት`ውን ሒደት መናብር ተዓዊቶም ኣለዉ። ተቓዋሚ ሰልፊ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ) 11 መናብር ተዓዊቱ ኣሎ። እንተኾነ፡ ሰልፊ ኢዜማ፡ ናጻ ኣይነበረን ኣብ ዝበሎ 207 ንቑጣታት ምርጫ፡ ክስታቱ ናብ ቦርድ ምርጫ ኣቕሪቡ ኣሎ። ብመሰረት`ቲ ውጽኢት ምርጫ፡ ፓርቲ ብልጽግና ሓዲሽ መንግስቲ ብምምስራት ንዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ነታ ሃገር ናይ ምምራሕ ሓላፍነቱ ክቕጽል`ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ኣብታ ብዂናት እትሕመስ ክልል ትግራይ ምርጫ ኣይተኻየደን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%88%E1%8B%9B%E1%8A%A2-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%8C%BD%E1%8C%8D%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%8A%E1%89%B1\/5963001.html"} {"headline":"መግቢ:ነዳዲን ቀረባት ጥዕና ዝጸዓና 50 መካይን ናብ ከተማ መቐለ ምእታወን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ","content":"መግቢ: ነዳዲን ቀረባት ጥዕናን ዝጸዓና 50 መካይን ዝሓለፈ ቀዳም ካብ ክልል ዓፋር ድሕሪ ምብጋሰን ሎሚ ሶኑይ ናብ ዋና ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ከምዝኣተዋ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ። ብመሰረት ሓበረታ ፕሮግራም መግቢ ዓለም እተን መካይን፡ ልዕሊ 900 መትሪክ ቶን ህይወት ኣድሕን ቀረባት ዝጸዓና`የን። እንተኾነ ነቲ ሰፊሕ ሰብኣዊ ጠለብ ንምምላእ ናይዚ ዕጽፊ ከምዘድልይ'ቲ ትካል ሓቢሩ'ሎ። ኣስታት ኣርባዕተ ሚልየን ህዝቢ ትግራይ ህጹጽ ረድኤት ኣብ ዝጽበየሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ነብስወከፍ ሰሙን 10 መትሪክ ቶን መግብን 150 ሺሕ ሊትሮ ነዳድን የድሊ ዝበለ ኣዋሃሃዲ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ቶሚ ታምሰን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ መንገዲ ስለኸፈተልና ሓጎስና ንገልጽ፡ እንተኾነ ዕጽፊ መካይን ይድልያና ኣብ ክንዲ ኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ክልተ መዓልታት ክኣትዋ ንደሊ ኢሉ። ዝሓለፈ ረቡዕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ሰሜናዊት ግዝኣቱ ሰብኣዊ በረራታት ምፍቃዱ ኣፍሊጡ`ዩ። ዛጊት ግን ናብ ክልል ትግራይ ዝበረረት ነፋሪት ከምዘየላ`ዩ ዝግለጽ ዘሎ። ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ሰሙናት ሕጽረት መግቢ ኣብ ክልል ትግራይ ብቕጽበት ከምዝሓመቐ`ዩ ሕቡራት ሃገራት ዝገልጽ። ኣስታት 400 ሺሕ ህዝቢ፡ ሕጂ ኣብ ደረጃ ዓጸቦ ከምዝኣተወ፡ 1.8 ሚልየን ድማ ኣብ ገምገም ዓጸቦ ከምዘሎ`ውን ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8A%90%E1%8B%B3%E1%8B%B2%E1%8A%95-%E1%89%80%E1%88%A8%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8B%93%E1%8A%93-50-%E1%88%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%88%E1%8A%95-%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1-\/5962993.html"} {"headline":"'ሕቶታት ወልቃይትን ራያን ዝተዓፀወን ዝሞተን ኣጀንዳ እዩ' ወሃቢ ቃል ክልል ኣምሓራ","content":"ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ናብ ትግራይ ዝጉዓዝ ሰብኣዊ ረድኤት ብጥብቂ ብምፍታሽ ብቕልጡፍ ናብ ህዝቢ ክበፅሕ ንምግባር ይሰርሕ ከምዘሎ ወሃቢ ቃል ናይቲ ክልል ኣቶ ግዛቸው ምሉነህ ገሊፆም።ናይ ህወሓት ሓይሊ ኢሎም ዝፀውዕዎ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ካብ ወይልቃይትን ራያን ይውፃእ ኢሉ ንዘቕረቦ ፃውዒት እቲ ጉዳይ ብወገን ህዝቢ ኣምሓራ ዝተዓፀወ መዝገብ እዩ ኢሎም። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ፅሕፈት ኣዋሃዲ ሰብኣዊ ጉዳያት(OCHA) ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ብኣላማጣን ብምዕራብ ትግራይን ንምእታው ብሓይልታት ፀጥታ ኣምሓራ ተበፃሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝተኸልከለ ገሊፁ። ዋና ዳይረክተር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ ግዛቸው ምሉነህ ምስ ቪኦኤ ኣብዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ‘’ተረፍ መረፍ ህወሓት’' ኢሎም ዝፀውዑዎም ኣካላት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ናብ ትግራይ ናይ ረድኤት እኽሊ ዝፀዓና መካይን ከይኣትዋ ክልል ኣምሓራ ከልኪሉ ዝብሃል ፍፁም ሓሶት እዩ ኢሎም። ናይ ክልሎም መንግስቲ ረድኤት ብቕልጡፍ ክኣቲ ምቹው ኩነታት ኣብ ፍጣር ይርከብ ኢሎም። ረድኤት ዝፀዓና መካይን ምፍታሽ ናይ ግድን ብምዃኑ ከይተፈተሸ ዝሓልፍ የለን እውን ኢሎም ኣቶ ግዛቸው ብምውሳኽ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available መንግስቲ ክልል ትግራይ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ካብ ወልቃይትን ራያን ክወፅእ ንዘቕረቦ ፃውዒት ጉዳይ ወልቃይት ንድርድር ዘይቐርብ ዝተዓፀወ ኣጀንዳን ዝሞተን መዝገብን እዩ ኢሎም። ምንስቴር ጉዳይ ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣብ ዘካየዱዎ ናይ ስልኪ ዝርርብ ናይ ኤርትራን ኣምሓራን ሓይልታት ካብ ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ክወፁን ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይተገደበ ኣገባብ ናብ ትግራይ ክኣትን ምትሕስሳቦም ይዝከር። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ቀዋሚ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣማባሳደር ታየ ኣፅቀ ስላሴ 25 ሰነ 2021 ኣ\\ፈ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ንጉዳይ ትግራይ ብዝምልከት ድሕሪ ምዝርራቡ ብጋዜጠኛታት ተሓቲቶም ኣብ ዝሃቡዎ መልሲ ‘’ህዝቢ ኣምሓራ ኣብ ናይ ኣቦ ሓጎታቶም መሬታ ከምዘለው እዮም ዝኣምኑ።እዚ ብዘይ ዝኾነ ይኹን መስርሕ ወይ ሕገመንግስታዊ መሰረት ዘይብሉ ኣብ 1992 ኣ\\ፈ ብሓይሊ እዩ ተኻይዱ’'ኢሎም። ኣብ ሕቡራት ዓረብ ኤሜረትስ ኣምባሳደር ሱሌይማን ዴዴፎ ትማሊ ብትዊተር ኣብ ዝፀሓፉዎ መልእኽቲ ‘’ወልቃይት ኣብ 1984 ዓ\\ም ብሓይሊ ናብ ትግራይ ቅድሚ ምሕዋሱ ኣካል ቤጌምድርን ጎንደርን ምዃኑ ክንምሃር ኢና ዓቢና ‘’ ኢሎም። ብወከልቲ ህዝቢ ኣብ 1987 ዓ\\ም ዝፀደቐ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ክልላት ብዝምልከት ኣብ ዘቐመጦ ዓንቀፅ ኣጣይሻ ክልላት ብመሰረት ኣሰፋፍራ መሬት፣ ቋንቋ፣መንነትን ድልየት ህዝብን መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ይገልፅ። ብኻሊእ ዜና ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ፅሕፈት ኣዋሃዲ ሰብኣዊ ጉዳያት(OCHA)ብዛዕባ ትግራይ ብቕድሚ ሰለስተ ማዕልታት ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኢሉ ዝፀውዖም ናይ ትግራይ ሓይልታት ፌደራል መንግስቲ ምውፅኡ ስዒቡ ንመብዛሕቲኡ ትግራይ ካብ ዝቆፃፀሩዎ ጀሚሮም ተበፃሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ብኣገዳሲ ደረጃ ይመሓየሽ ኣሎ ኢሉ። ብደቡባዊ ዞባ ትግራይ ካብ መቐለ ናብ ኣላማጣ እቲ መንገዲ ነፃ እነተተገበረ እውን ካብኡ ንምሕላፍ ግን ነቲ ቦታ ብዝተቐፃፀሮ ሓልይታት ፀጥታ ኣምሓራ ከምዝተኸልከለ OCHA ገሊፁ።ምንቅስቓስ መንገዲ ሽረ ሰለኽለኻ፣ኣክሱም ዓድዋ ካብ መቐለ ናብ ዓብይ ዓዲ የጭላ ሳምረ ከምኡ እውን ናብ ማይጨር ክፉት ከምዝተገበረ ገሊፁ ኣሎ። ብክፋል ሸራሮን ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዋስኑ ከባቢታት ግን ክብፃሕ ኣይክኣልን ኢሉ ኣሎ። ምዕራብ ትግራይ ድማ ብሓይልታት ፀጥታ ኣምሓራ ከምዝተኸልከለ ሓቢሩ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/the-welkayt-and-amhara-issues-are-dead-issues-said-spkesperson-of-amhara-regional-government\/5962942.html"} {"headline":"ኢትዮጵያን ሩስያን ስምምዕ ወታሃደራዊ ምትሕብባር ምፍርራመን ተገሊጹ","content":"ኢትዮጵያን ሩስያን ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ሽርክነት ክመያየጣ ድሕሪ ምቕናይ ስምምዕ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ተፈራሪመን። ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ፋና፡ ሓላፊት ፋይናንስ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ማርታ ሊዊጂ ፡ እቲ ስምምዕ ንምሕዝነት ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዘሰጋግር`ዩ ኢላ`ላ። ኣገልግሎት ዜና ፋና እቲ ምስ ሩስያ ዝተገብረ ስምምዕ ንሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብዓቕምን ፍልጠትን ብቴክኖሎጅን ዘሳግር ምዃኑ`ውን ኣብቲ እዋን ገሊጹ`ሎ ። ብተመሳሳሊ ዜና ሱዳን ኣብ ግዝኣታ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ንምኽፋት ንስምምዕ ትዳሎ ከምዘላ ኣፍሊጣ። እዚ ዝተገልጸ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ማሪያም ኣል-ሳዲቅ ኣል ማሕዲ ኣብ ሞስኮ ምብጻሕ ብምግባር ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ኣብ ዝተራኸበትሉ እዋን`ዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%A9%E1%88%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%A5%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%88%AB%E1%88%98%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5962952.html"} {"headline":"ዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃ ምስ ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ምዝርራቦም ተገሊጹ","content":"ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ምስ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣህመድ ከምዝተዘራረቡ ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን የሪክ ገሊጹ። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ትካላት ኣብ ክልል ትግራይ ንክንቀሳቀሱ ከምዝገብሩ ዝሃብዎ መረጋገጺ ከምኡ'ውን ከም ኤለክትሪክን ርክባትን ዝኣመሰለ ኣድላዪ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ንክምለሱ ዝሃብዎም መረጋገጺ ከምዝናኣዱ ተገሊጹ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ውግእ ደው ንምባል ዝኣተዎ መብጽዓ ዋና ጸሓፊ ኣፍልጦ ከምዝሃቡሉ፣ ከምኡውን፣ በረራታት ትካላት ረድኤት፣ናብ ክልል ትግራይ ንክኣትዋን ሕርሻዊ ስራሓት ንምድጋፍ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቃል ከምዝኣተወሎም ተሓቢሩ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%8A-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%88%AB%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5962713.html"} {"headline":"ጋንታ ኣርሴነል፣ ንኤርትራዊ ስዊድናዊ አለክሳንደር ኢሳቅ ካብ ስጳኛዊት ጋንታ ሪይል ሶሴዳድ ንክትዕድጎ ከምትደልይ ይግለጽ ኣሎ","content":"ጋንታ ኣርሴነል፣ ንኤርትራዊ ስዊድናዊ አለክሳንደር ኢሳቅ ካብ ስጳኛዊት ጋንታ ሪይል ሶሴዳድ ንክትዕድጎ ዓይና ከምዘውደቀትሉ ዝረኸብናዮ ዜና ሓቢሩ። ኣሌክስ ሓደ ካብ’ቶም አሰልጣኒ ጋንታ ኣርሴናል ዝኾነ ሚከል ኣረቲታ ኣብ ዝርዝር ዝደልዮም ተጻወቲ ዝኣተዉ እዩ። ጋንትኡ ጋንታ ሪይል ሶሴዳድ ብወገና \"ኣርሴናል ንዋጋ ኣሌክሳንደር ዝኾነ 59 ሚልዮን ፓውንድ ንምኽፋል ቅርብቲ ከምዝኾነት ገሊጻ’ያ\" ከምዝበለት እውን እቲ ዜና ይሕብር። እንተኾነ፣ ኣሌክሳንድር ይሳቅ ናብ ኣርሴናል ናይ ምዝውዋር ዕድሉ ዘብቀዐ ይመስል። ስለምንታይ እንተተባሃለ፣ ንሱ ምስ ጋንታ ሪይል ሶሴዳድ ክሳብ ዝቅጽላ ሓሙሽተ ዓመታት ንክጸንሕ ዘኽእሎ ውዕል ስለዝተፈራረመ። ከምኡ ኮይኑ’ውን ሪይል ሶሴዳድ፣ ንኣሌክሳንደር ክትዕድጎ ትምነ ጋንታ ብክባር ዋጋ ክትወስዶ ድልየት እንተርእያ ክትሸጦ ከምዝትኽእል ገለ ምልክታት ኣርእያ ኣላ። 21 ዓመት ዝዕድሚኡ ኣሌክስ ይሳቅ ኣብ’ቲ ይካየድ ዘሎ ግጥማት ዋንጫሃገራት ኣውሮጳ፣ ዋላ’ውን ሸቶ ከመዝግብ እንተዘይካኣለ፣ ምስ ጋንታ ስዊድን ተሰሊፉ ዘዕግብ ምንቅስቃስ ከምዝነበሮ ዝረኸብናዮ ዜና ጠቂሱ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8B%E1%8A%95%E1%89%B3-%E1%8A%A3%E1%88%AD%E1%88%B4%E1%8A%90%E1%88%8D-%E1%8A%95%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%B5%E1%8B%8A%E1%8B%B5%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%8A%A0%E1%88%88%E1%8A%AD%E1%88%B3%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%89%85-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%8C%B3%E1%8A%9B%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8C%8B%E1%8A%95%E1%89%B3-%E1%88%AA%E1%8B%AD%E1%88%8D-%E1%88%B6%E1%88%B4%E1%8B%B3%E1%8B%B5-%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%8B%95%E1%8B%B5%E1%8C%8E-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8B%B0%E1%88%8D%E1%8B%AD-%E1%8B%AD%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BD-%E1%8A%A3%E1%88%8E\/5962599.html"} {"headline":"ባይቶ ጸጥታ ሕ\/ሃ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ክምለስ ወሲኑ","content":"ኢትዮጵያ ንኻልኣይ ገጽ ምምላስ ሓጽቢ ሕዳሴ ትቀራረበሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ግብጺን ሱዳንን ተሪር ቍጥዐ የስምዓ ኣለዋ። ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ክልተኣን ሃገራት፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ጉዳይ ተፋሰስ ማይ ኒል ምትእትታው ክገብር ብሓሙስ ኣብ ዝተጋብአ ርክብ ጸዊዖም። ኣብ 2011 ምስራሕ ዝጀመረ ሓጽቢ ሕዳሴ፡ ዓቢ ማያዊ ጸዓት ክፈጥር ትጽቢት ዝግበረሉ ኮይኑ፡ ኣብ ኣጋ-ምዝዛሙ ይርከብ። ኣብቲ ርክብ፡ ኢትዮጵያ’ውን ብመገዲ ሚኒስተር ማይ፡ መስኖን ጸዓትን፡ ስለሺ በቀለ ኣቢላ’ውን መልሲ ሂባ ነይራ። . ንምዕጋት ፈለግ ኒል ኣመልኪቱ ንዝሓለፈ 10 ዓመት በብይኖም ርክባት ደኣ ክካየዱ ይጽንሑ እምበር፡ ዛጊት ግን መዕለቢ ኣይረኸቡን። ኣብቲ ርክብ፡ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ፡ እተን ሃገራት ፖለቲካዊ መፍትሒ ከናዲያን ነቲ ዘሎ ፍልልያተን ዘጽብብ ቅልጡፍ ዘተ ክገብራን ጸዊዐን ኣለዋ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%88%88%E1%88%B5-%E1%8B%88%E1%88%B2%E1%8A%91\/5960153.html"} {"headline":"መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ","content":"ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጉዳይ ግድብ ዓብይ ህዳሴ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ክምለስ ብቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ምውሳኑ ናይ ኢትዮጵያ ዓብይ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት እዩ ኢሉ። ወሃቢ ቃል`ቲ ሚኒስትሪ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎሚ ዓርቢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ፡ ካልኣይ ምምላእ ግድብ ህዳሰ ምስተዛዘመ፡ ግብፅን ሱዳንን ናብ ምትሕብባር ክምለሳ እየን ኢሉ። ኣብ ከይዲ ዝርከብ ምምላእ ማይ ናይቲ ግድብ ምስተዛዘመ ግብፅን ሱዳንን ገፀን ናብ ምትሕብባር ክምለሳ እየን ዝበሉ ኣማባሳደር ዲና ድሕሪ ሕዚ ናይቲ ግድብ ጉዳይ ናብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣይወስዱዎን ኢሎም። እቶም ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝርከቡ ኣምባሳደራት ኣባል ሃገራት ተፋሰስ ናይል ኣብ ዘካየዶ ምይይጥ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ናብ ናይ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ምኻዱ ትኽክል ከምዘይኮነ ኣብ ምርድዳእ ምብፅሑን ዓረብ ሊግ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ክኽየድ ምግባሩ ንሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዎ ንዕቐት ዘርኢ ምዃኑ እቶም ኣምባሳደራት ገሊፆም ኢሎም ። ንጉዳይ ክልል ትግራይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ኣገልግሎት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ንምብራር ናይ ኣየር ክልል ምሉእ ብምሉእ ተፈቒዱ ኣሎ ዝበሉ ኣምባሳደ ዲና ሙፍቲ እተን ነፈርቲ ክወፃን ክኣትዋን ከለዋ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍተሻ እየ ኢሎም።እቲ ተፍቲሽ ካብ ነፈርትን ብተወሳኺ ንመካይንን ውልቀሰባትን ከምዝሓውስ እውን ሓቢሮም። ምስ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ብዝተኣሳሰረ ናይ ትግራይ ክልላዊ መንግስቲ ዘቐመጦ ቅድመ ኩነት ተቐባልነት የብሉን ኢሎም። ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ኤምባሲታቱ ከምዝንኪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ድሕሪ ምግላፆም ኤምባሲታት ይዕፀው ከምዘለው ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ይውረ ዘሎ ሓሶት እዩ ኢሎም ።ብናይ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ተግባራት ብምምሕያሽ ዝዕፀፉ ኤምባሲታት ከምዝህልው ግን ሓቢሮም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4\/5960148.html"} {"headline":"ኣብ ራያ ልዕሊ 50 ንጹሃን ዜጋታት ምቕታሎም ናይ ራያ ራዩማ ፓርቲ ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ራያ ልዕሊ 50 ንጹሃን ዜጋታት ምቕታሎም ናይ ራያ ራዩማ ፓርቲ ኣፍሊጡ። ሓይልታት ትግራይ ኣብ ከባቢ ራያ ኣብ ልዕሊ ንጹሓን ሰባት ቅትለትን ካልእ ዘይሰብኣዊ ተግባራትን ይፍጽም ኣሎ ክብል ራያ ራዩማ ዝተባህለ ፓርቲን ካልኦት ወገናትን ይጠርዑ`ለዉ። ካብ ህወሓት ዛጊት ርእይቶ ምርካብ ኣይተኻእለን። ኣብ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ራያ ራዩማ ሓላፊ ርክባት ህዝቢ ጌታቸው ከበደ ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ህወሓት ዝርከብ ከባቢ ራያ ዓዘቦ ዝነብሩ ህዝቢ ንብርክት ዝበሉ ጸገማት ተቓሊዖም ኣለዉ፡ 50 ዝኾኑ ሰባት ብዘስካሕክ መንገዲ ምቕታሎም ልዕሊ 30 ሺሕ ህዝቢ ድማ ካብቲ ኸባቢ ምፍንቓሉ ገሊጹ`ሎ። ኣቦ መንበር ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ትግራይ ዶ\/ር ኣረጋዊ በርሀ'ውን ዛጊት 22 ኣባላቱ ብህወሓት ከምዝተቀትልዎ ሓቢሩ ። ብኻልእ ወገን ፌደራል መንግስቲ ዘጣየሶን ካብ ከተማ መቐለ ወፂኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ድሕሪ ውሳነ በይናዊ ምቁራጽ ተፃብኦ መንግስቲ ፊደራል እቲ ክልል ኣብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ኩነታት ከምዝርከብ ገሊጹ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%AB%E1%8B%AB-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-50-%E1%8A%95%E1%8C%B9%E1%88%83%E1%8A%95-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%B3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%AB%E1%8B%AB-%E1%88%AB%E1%8B%A9%E1%88%9B-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5960064.html"} {"headline":"ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕ\/ሃ ኣብ ክልል ትግራይ ዝፍጸሙ ግፍዒታት ዝምልከት ውሳነ ከሕልፍ ሁማን ራይትስ ዎች ጸዊዑ","content":"ጸብጻብ ከቢድ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ክልል ትግራይ ምምጽኡ ብምቕጻሉ ፡ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ንክልል ትግራይ ኣብ ኣጀንድኡ ከእትዋ ውሳነ ንምምጻእ ኣብ ግምት የእቱ ምህላዉ ሁማን ራይትስ ዋች ኣፍሊጡ። እቲ ውሳነ ቀልጢፉ ክግበር ይግባእ`ውን ይብል። ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ውጽኢት መርመርኡ ንህዝቢ ወግዓዊ ከምዝገብር ኣፍሊጡ`ሎ። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ነቶም ኣብ ትግራይ ዝተፈጸሙ ግፍዒታት፣ ናብ ኣጀንድኡ ከጠቃልሎ ሁማን ራይት ዋች ጸዊዑ። እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጸሙ ከበድቲ መግሃስቲታት ዘቃልዑ ሪፖርታት ኣብ ዝወጽሉ እዋን፣ እቲ ኮምሽን፣ ንክልል ትግራይ ዝምልከት ውሳነ ኣብ ኣጀንድኡ ንምጥቅላል የሰላስል ከምዘሎ'ውን ተሓቢሩ'ሎ። ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕብራት ሃገራት፣ መደረ ዘስማዓ ላዕለወይቲ ኮምሽነር \"ጅምላዊ ቅትለት፣ ከየጻረኻ ምእሳር፣ ኣስገዳድ ምፍንቃልን ጾታዊ መጥቓዕቲን ዝሓወሰ ከበድቲ ዓመጻትን ግህሰትን ተፈጺሞም እዮም\" ኢለን። ኣብ ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ ልኡኽ ጾታዊ መጥቓዕቲን ኣብ እዋን ግጭት ደጋጊሙ ከምዘጠንቀቆ \"ኣብ ትግራይ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ምግሳስ ደቂ ኣንስትዮን ጾታዊ መጥቓዕቲን ተፈጺሞም እዮም፣ ብጉጅለ ንደቂ ኣንስትዮ ምግሳስ ዝሓወሰ ልዕሊ ክትግምቶ ትኽእል ጭካነ ከምዘጠቃልል\" እቲ ሪፖርት ጠቂሱ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8D%8D%E1%8C%B8%E1%88%99-%E1%8C%8D%E1%8D%8D%E1%8B%92%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%8A%A8%E1%88%95%E1%88%8D%E1%8D%8D-%E1%88%81%E1%88%9B%E1%8A%95-%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%89%B5%E1%88%B5-%E1%8B%8E%E1%89%BD-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%91\/5960045.html"} {"headline":"ሚ\/ሰላም ኢትዮጵያ 6ይ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰላም ክውዳእ ናይ ሓደ ዓመት ምድላው ምክያዱ ገሊጻ","content":"ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰላም ንኽውዳእ ንሓደ ዓመት ኣቢሉ ምድላው ከምዝተገብረ ሚኒስትር ሰላም ኢትዮጵያ ሙፈርያት ካሚል ንጋዜጠኛታት ገሊጻ። ኣብ ድሬዳዋን ሃረርን ገይሻ ዘላ ሙፈርያት፡ ንሕብረተሰብ ዘሳተፈ ሓለዋ ሰላም ውጽኢት የምጽእ ኣሎ ኢላ። ካብዚ ተመክሮ`ዚ ንቐጻሊ ምርጫታት ትምህርቲ ንምቕሳም መጽናዕቲ ይግበር ምህላዉ'ውን ሓቢራ። ኣብ ድሬዳዋ ኣብ ዝገበረቶ ምብጻሕ፡ ብስነ-ምግባሮም ዝተመስገኑን እሙናትን ገለልተኛ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ተኣማንነት `ቲ ዝተኻየደ ምርጫ ዝለዓለ ተራ ከምዝነበሮም ከምዝተረድአት ወሲኻ ገሊጻ። ሚኒስትር ሰላም ኢትዮጵያ ወ\/ሮ ሙፈርያት ካሚል፡ ኣብ ድሬ​ዳዋ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት፡ መራሕቲ ትካላትን ሓይልታት ጸጥታን `ውን ብምርኻብ ምምክኻራ'ውን ተሓቢሩ ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-6%E1%8B%AD-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%8B%8D%E1%8B%B3%E1%8A%A5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8B%AB%E1%8B%B1-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BB\/5959986.html"} {"headline":"ገለ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲታት ክልል ትግራይ ናብ ዓፋርን ወሎን ይኣትው ምህላዎም ተሓቢሩ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከቡ ዩኒቨርሲቲታት ክመሃሩ ዝፀንሑ ተማሃሮ ነቲ ዘሎ ኩነታት ስዒቡ ብእግሮም ተጓዒዞም ናብ ወሎን ዓፋርን ይአትዉ ኣለዉ ተባሂሉ ። ካብ መቐለ ተበጊሶም ደሴ ንዝበፅሑ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣዘራሪብና ኣለና ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%88%E1%88%88-%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%83%E1%88%AE-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%89%A8%E1%88%AD%E1%88%B2%E1%89%B2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%8B%88%E1%88%8E%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%8D-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5959957.html"} {"headline":"ሻቅሎት ወለዲ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲታት ክልል ትግራይን ኩነታት'ቶም ተማሃሮን","content":"ሓይልታት ትግራይ ንኸተማ መቐለ ድሕሪ ምቁፅፃሮም ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከቡ ዩኒቨርስትታት ናይ ዝመሃሩ ተማሃሮ ወለዲ ብዛዕባ ደቆም ይሻቀሉ ምህላዎም ይገልጹ ኣለው ። ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ካብ ዝርከቡ ተማሃሮ ክሳብ ሐዚ ደሕንነቶም ዝተሓለወ ምኳኑ ብምሕባር ኣገልግሎት ባንክን ስልክን ብዘይምክፋቱ ግን ከምዝተፀገሙ'ዮም ሓቢሮም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%BB%E1%89%85%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8B%B2-%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%83%E1%88%AE-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%89%A8%E1%88%AD%E1%88%B2%E1%89%B2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%83%E1%88%AE%E1%8A%95\/5959898.html"} {"headline":"ትካል ኣበበ ጎበና ንልዕሊ ሓደ ምእቲ ሽሕ ህፃንት ከምዘሰልጠነ ፈሊፁ","content":"ናይ ኣበበች ጎበና ማሕበር ልምዓት ምሕብሓብ ህፃናት ኣብቶም ዝሓለፉ 41 ዓመታት ንልዕሊ 100,000 ህፃናት ስልጠና ምሃቡ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ማእኸል ስልጠና ካብ መንጎ ዝወሰዱ እቶም 65 ምእታዊ ስራሕ ምሓዞምን 15 ምእታዊ ድማ ናይ ባዕሎም ስራሕ ፈጢሮም ይንቀሳቐሱ ከምዘለውን ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኣቶ ይትባረክ ተካልኝ ገሊፆም። ብኻሊእ ወገን ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዩናይትድስቴትስ ጊታ ፓሲ ንስድራ ኣበበች ጎበና ብምብፃሕ ኣፀናኒዐን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/abebech-gobena-childrens-care-and-development-association-has-traind-more-than-one-hundred-thousands-of-youths-according-to-the-assciation\/5958583.html"} {"headline":"'ኣሽሓት ሓረስቶት ኣምሓራ ብረት ኣሸኪሞም ናብ ዞባ ሞት የእትውዎም ኣለው' ክብሉ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ከሲሶም","content":"ኣማኻሪ ፕሬዝዳንት ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ሎሚ ብቲዊተር ኣብ ዝዘርግሕዎ ተኸታታሊ መልእኽቲ ‘’ናይ ኣብይ ኣህመድ’’ ኢሎም ዝፀውዕዎ ሰራዊት ምክልኻል ብወሳኒ መልክዑ ብሰራዊት ትግራይ ካብ ‘’ዝስበር’’ ንድሓር ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ገባራት ኣምሓራ ብረት ኣዕጢቖም ናብ ናይ ሞት ቀጠናኣብ ምልኣኽ ይርከብ፤ብታንክን መድፍዕን ጠጠው ዘየበሎ ሓይሊ ብመስዋእትነት ሓረስታይ ጠጠው ክብል ዘይሕሰብ እዩ ኢሎም። ንኣዴታት ትግራይ ንምቕታል ዝመፀ ዝበሉዎ ሓይሊ ብዘይምርሕረት ከም እንቐፅዕ ንፃት እውን ጥርጣረ ክህሉው የብሉን ኢሎም ኣቶ ጌታቸው ረዳ።ብፈኸራ ጠጠው ዝብል ወፍሪ ኣይጀመርናን ዝበሉ ኣቶ ጌታቸው ‘’ ብናይ ኣብይ እኩይ ተግባር’’ ኢሎም ዝፀውዕዎ ዕላማዝሕሎ ናይ ኣምሓራ ክብሪ የለን፤ናይ ሰብ ንብረት ብምዝራፍ ዝሕሎ ናይ ኣምሓራ ክብሪ የለን፤ንሓረስታይ ብምህላቕ ዝሕሎ ናይ ኣምሓራ ክብሪ የለን ኢሎም ኣቶ ጌታቸው።ፅልእና ምስ ህዝቢ ከይኮነስ ምስ’’ሸፋቱ’’ እዩ፤ንኣብይን ሸፋቱን ዘድሕን ምድራዊ ሓይሊ የለን ኢሎም ኣማኻሪ ፕሬዝዳንት ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ። ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓረስታ ትግራይ ክሓርስን ንህዝቢ ትግራይ ናይ ፅሞና እዋን ወይ መሕሰቢ ግዜ ንምሃብን ሰራዊት ምክልኻሉ ካብ ክልል ትግራይ ኣውፂአ ምባሉ ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/advisor-of-tigray-regional-president-getachew-reda-warned-arming-farmers-by-abiy-ahmed\/5958578.html"} {"headline":"ህዝብታት ኣምሓራን ትግራይ ኣብ ዘላቒ ምትእስሳሮም ክጥምቱ ኣለዎም ኢሉ ሓደ ናይ ኣምሓራ ፓለቲካዊ ውድብ","content":"ናይ ኣምሓራን ትግራይን ህዝብታት ዝተዋለዱን ዝተኣሳሰሩን ብምዃኖም ብናይ እዋኑ ወረ ከይተደናገሩ ኣብ ዘላቒ ምትእስሳሮም ጠመተ ክህቡ ኣለዎም ኢሉ ምንቅስቓስ ዴሞክራሲያዊ ሓይሊ ኣምሓራ ዝተብሃለ ውድብ። እቲ ፓርቲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ሎሚ ኢትዮጵያ ካብ ውሽጥን ወፃእን ዝገጠማ ፈተና ንምምካት ህዝብታት ብሓድነት ጠጠው ክብሉ ይግባእ ኢሉ ኣሎ።ብመስመር ’’ፀረ ኣምሓራን ፀረ ኢትዮጵያን’’ ሃገር ንምፍራስ ንዝመፁ ዝበሎም ሓይልታት ንምቅላስ ድልዊ እዩ ኢሎም ናይቲ ውድብ ናይ ምርጫ ኣተሓባባሪ ኣቶ ምርጫw ስንሻው።ብፍላይ ድማ ሎም ቅነ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ ዝኣወጆ ዝበሎ ኵናት ንምምካት ኣብ ጎኒ መንግስቲ ጠጠው ንምምባል ከምዝተዳለወ ሓቢሩ ይብል ፀብፃብ ኣስቴር ምስጋናው ካብ ባህርዳር። ‘’ወልቃይት ፣ ፀገዴን ራያን ደጊምካ ብሓይሊ ንምውሳድ ዝግበር ምንቅስቃስ ብወገን ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ተቀባልነት የብሉን’’ክብሉ ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ኣገኘሁ ተሻገር ትማሊ ምዝራቦም ይዝከር። ንመቐለን ንብርክት ዝበሉ ከባቢታት ትግራን መሊሶም ዝተቖፃፃሩ ሓይልታት ትግራይ ብክልል ኣምሓራ ብሓይሊ ዝተወሰዱ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ናብ ክልል ትግራይ ክሳብ ዝምለሱ ኵናት ጠጠው ኣይነብልን ምባሎም ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/movemnet-democratic-forces-of-amhara-said-ready-to-defend-amhara-and-ethiopia-alongside-the-goverment\/5958573.html"} {"headline":"ግብጺን ሱዳንን ንኻልኣይ ገጽ ምምላእ ሓጽቢ ሕዳሴ  ተቓውመአን ኣስሚዓን","content":"ኢትዮጵያ ንኻልኣይ እብረ ምምላእ ሓጽቢ ሕዳሴ ክትዳሎ እንከላ፡ ሱዳንን ግብጺን ግን እቲ ውሳነ ናይ ሰለስቲአን ሃገራት ስምምዕ ዘይብሉ ብምዃኑ፡ ኣብ ባይታ ንዘሎ ወጥሪ ዘጋድድ’ዩ ክብላ ተቓዊመን። ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንሓሙስ ክራኸብ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን፡ ግብጺን ሱዳንን ስምዕታአን ከቕርባ ይቀራረባ ኣለዋ። ክልተአን ሃገራት ንኻልኣይ ገጽ ምምላእ እቲ ሓጽቢ ኣመልኪተን፡ ብሰኑይን ሰሉስን ካብ ኢትዮጵያ ሓበሬታ ከም ዝረኸባ ኣፍሊጠን። ብወገን ኢትዮጵያ ንምምላእ ማይ እዚ ሓጽቢ ኣመልኪቱ ዝተወሃበ ወግዓዊ መግለጺ ዛጊት የሎን።እንተኾነ ግን ግን ሓደ ስሙ ክዕቅበሉ ዝሓተተ ላዕለዋይ በዓል-ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሃገሩ፡ ኣብቲ ዝናብ ዝበዝሓሉ ወርሓት ሓምለን ነሓሰን ክትመልእ ትዳሎ ከም ዘላ ሓቢሩ። ሚኒስተር መስኖ ግብጻዊ ዓብደል ኣትይ፡ ሃገሩ፡ ነቲ ብኢትዮጵያ ክውሰድ ተወጢኑ ዘሎ መደብ ብትሪ ከም እትቃውሞ ድሕሪ ምግላጽ፡ “ንኣህጉራዊ ስምምዓትን ብኹላተን ሃገራት ዝተፈረመ ውዕል ተፋሰስ ማያት ኒል ዘፍርስን” ክብሉ ኮኒኖሞ ኣለዉ። ሱዳን ብወገና፡ ብመገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ “ንኣህጉራዊ ውዕላት ዝጥሕስ፡ ተዃታዂ ውሳነ” ክትብል ገሊጻቶ። ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክልቲአን ሃገራት፡ ክልተ መዓልታት ቅድሚ ምጅማር ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኒው-ዮርክ ተራኺቦም ነይሮም። ድሕሪ’ቲ ርክብ ኣብ ዘውጽኡዎ ሓባራዊ መግለጺ ድማ ነቲ ውሳነ ኣትሪሮም ከም ዝቃወሙዎ ብምግላጽ፡ ኢትዮጵያ በቲ ውዕላት መታን ክትቅየድ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ድርኺት ክገብር ተማሕጺኖም። ርክብ ባይቶ ጸጥታ ብጻውዒት ዘይቀዋሚት ኣባል ቱኒዝያ ዝካይድ ዘሎ’ዩ። ቱኒዝያ ንሃገራት ዓረብን መርገጺ ግብጺን ሱዳንን ክትውክል እንከላ፡ ኢትዮጵያ ግን ተቓውሞኣ ነቲ ኣኼባ ገሊጻ ኣላ። ተወካሊ ኢትዮጵያ ክርከብ ግን ትጽቢት ይግበር። ብቱኒዝያ ኣብ ዝተነድፈ እማመ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ናብ ልዝብ ተመሊሰን፡ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናብ ቀያዲ ስምምዕ ከብጽሓ ዝጽውዕ’ዩ። እቲ እማመ፡ ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤለትሪክ ናይ ምምንጫው ዓቕማ ብምሉእ ክትጥቀመሉ ዘውሕስ ኮይኑ ኣብ ተፋሰስ ኒል ዝርከባ ሃገራት ከኣ ብማዕረ ጸጋታት ማይ ናይ ምጥቃም መሰለን ዘረጋግጽ ምዃኑ ይጠቅስ። ሰለስቲ ኣን ሃገራት ንግጭት ካብ ዝዕድም ውሳነታት ክቝጠባ እቲ ብቱኒዝያ ዝቐረባ ንድፊ ይምሕጸን። ንመሪሕነት ባይቶ ጸጥታ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተረከበት ፈረንሳይ ግን፡ እቲ ባይቶ ንኸምዚ ዝመስል ምትፍናን ነባሪ ፍታሕ ክረኽበሉ ክጽገም ስለ ዝኾነ እቲ ምሽምጋል ብመገዲ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ክኸውን ኣቐዲማ ኣፍኢማ ነይራ። ብኻልእ ዜና ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ ሓጽቢ ሓዳሴ ኣመልኪቱ ነቲ ብጠለብ ቱኒዝያ ክከይድ ተወጢኑ ዘሎ ርክብ፡ ኣመልኪቱ ንወካሊት ሓንቲ ካብተን ዘወርቲ ኣባላት ሃገራት ዝኾና ኣየርላንድ፡ ምስ ጋዜጠኛ ረድዮ ድምጺ ኣመሪካ ሓጺር ዝርርብ ኣካይዳ ነይራ። ኣምባሳደር ጀራልንዲን በይረስን ነሰን፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ፍሉይ መኽፈቲ ወይ ድማ ዳሕራይ ድምጺ ክህሉ ድዩ ንዝብል ሕቶ ጋ ከምዚ ክብላ ይምልሳ፤ \"ነዚ ወሳኒ ኣርእስቲ ተራኺብና ክንዛተ ቅሩባት ኣለና ክብል እኽእል። ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነስ እንኮላይ ንግብጺን ሱዳንን እዚ ጉዳይ ኣመና ኣገዳሲ’ዩ። ሚኒስተራት እዘን ሃገራት’ውን ኣብዚ ከተማ መጺኦምምስ ድሮ እኳ ብውልቂ ተራኺብና ኣሎና። ወኪል ግብጺ ነቲ ብቱኒዝያ ዝቐርብ ንድፊ ሚዛን ክንህቦ ተማሕጺኑና ኣሎ። ባይቶ ጸጥታ እንታይ ይገብር ከኣ ብሓንሳብ ዝርአ’ዩ። ዋላ’ኳ እዚ ጉዳይ ብሰላም ክፍታሕ ተስፋና እንተኾነ፡ እቲ ዝርርብ ብመገዲ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ክግበር ምስ ዝኽእል ግን ዝያዳ ውጽኢት ምሃበ: ነዊሕ ግዜ ዘድልዮ ምይይጥ’ዩ። እቲ ወሳኒ ግን ሰለስቲኣን ኣካላት ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ኣዳልዪ’ዩ። እቲ ቀንዲ ጉዳይ ግን ኩላቶም ወገናት ወጥሪ ከተሃዳድኡ ክሰርሑ ምጽዋዕ’ዩ። ንምምላእ ካልኣይ ገጽ ኣመልኪቶም ግብጺን ሱዳንን ዘርኣዩዎ ግብረ-መልሲ ንርእዮ ኣሎና። ስለዚ ከኣ’ዮም ሰለስቲኣን ወገናት ኣብ ጠረቤዛ ቀሪቦም ጉዳያቶም ክፈትሑ፡ እቲ ውሳነ ድማ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ክምእከል ንደልዮ ዘሎና “ ኢለን:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%8C%BA%E1%8A%95-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8A%BB%E1%88%8D%E1%8A%A3%E1%8B%AD-%E1%8C%88%E1%8C%BD-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%8A%A5-%E1%88%93%E1%8C%BD%E1%89%A2-%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%88%98%E1%8A%A0%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%9A%E1%8B%93%E1%8A%95\/5957281.html"} {"headline":"ናይ ክልል ትግራይ ፕረዚደንት ደብረጽየን ገ\/ሚካኤል ዝሃብዎ ፈላማይ መግለጺ","content":"ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶ\/ር ደብረጽዮን ገ\/ሚካኤል ኹናት አብ ክልል ትግራይ ካብ ዝጅመር ንዳሓር ንፈለማ ጊዜ ብቴለቭዥን ትግራይ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ንመሪሕነት እቲ ክልል ካብ ሕዳር ንደሓር አጋጢሙ ዝነበረ ፈተና ‘ዓይነ መርፍኡ ዝጠፍኦ ክፉእ ጊዜ፣ አንጻር ወረርቲ ገጢምካ ንምስጋር ከቢድ፣ ዓወት ምምጻእ ጸልማት መሲሉ ዝተራኣየሉ እዋን’ ከምዝነበረ ገሊጾም። ንሶም ነዚ መግለጺ ዝሃቡ ድሕሪ ሕዳር ዝጀመረ ኹናት ክልል ትግራይ ንፈለማ ጊዜ ኣብ መቐለ ትማሊ ሶሉስ ብቴሌቭዥን ትግራይ አብ ዝሃብዎ መግለጺ እዩ። ዶ\/ር ደብረጽየን ገ\/ሚካኤል አብ መደረኦም \"ብውዲትን ብዘይሕጋዊ መገዲን፣ ብሓይሊ መልጢ ይገዝእ ዘሎ ፋሽሽታዊ ጉጅለ አብዪ ኣህመድ\" ዝበልዎ መንግስቲ ኢትዮጵያ \"ህዝቢ ትግራይ ብዘካየዶ ታሪኻዊን ሕጋዊን መረጻ ንዝተጣየሸ ብሄራዊ መንግስቲ ትግራይ አይፈልጥን አይቅበልን ኢሉ\" ኢሎም። ዶ\/ር ደብረጽየን\"ብቀንዱ ካርታ ትግራይ ካብ ዓለም ንምጥፋእ፣ ህዝቢ ትግራይ ድማ ካብ ገጽ ምድሪ ንምስዋርን ዘርኡ ንምጽናትን፣ እዞም ወረርቲ ኣብ ኢዶም ንዝነበረ ኩሉ ዓይነት ዓቅምታትን ከምኡውን ካብ ጎይቶቶም ዝሓርጎትዎ ናይ ጥፍኣት ሓገዛት ኣዋዲዶም ንህዝቢ ትግራይ ንምጭፍላቅ ተማሓሒሎም ኣብ’ቶም ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ተኸታተልቲ ዝኾኑ ከበድቲ ወራራት ብዘይምቁራጽ ኣካይዶም እዮም\"ኢሎም። ንሶም ወሲኾም \"ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘበን ይፍጸም እዩ ኢልካ ክትሓስቦስ ይትረፍ ክሕለም እዩ ተባሂሉ ዘይግመት ኣረመኔያዊ ግፍዒታት ብምፍጻም እንኮላይ ንማሕበረ- ሰብ ዓለም ዘደንገጸ ተግባራት ፈጺሞም እዮም። \" ንሶም አስዒቦም፣ \"ፈተውትና፣ ደገፍቲንን መጻምድናን ከምዝዕዘብዎ ነካይዶ ዘለና ህዝባዊ ኹናት ተገዲድና ዝኣተናዮ’ምበር ምርጫና አይነበረን። ኮይኑ’ውን ኣይፈልጥን\" ኢሎም:: ህዝቢ ትግራይ ኣብ ቅድሚት ብዛዕባ ይጽበዮ ዘሎ ከበድቲን በዳህቲን መደባት አመልኪቶም ክዛረቡ ከለው ዶ\/ር ደብረጽየን ሃገረ ጀርመን ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዘጋጠማ ዕንወትን ብድሆታትን ዕድላትን ከምኣብነት ብምጥቃስ ተዛሪቦም። \"ንቀጻሊ’ውን ንህዝቢ ትግራይ ንድሕሪት ዝመልሶ ምድራዊ ሓይሊ ፈጺሙ ኣይህሉን። ህዝቢ ትግራይ ዝጎድልዎ ነገራት ኣለልዩ፣ ቀልጢፉ ኣስተኻኪሉን፣ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ንቅድሚት ምስጓሙ ኣይቀርን። እዚ ቃል’ዚ ከምንትግብሮ ንፈታዊን ጸላኢን ክንገልጽ ንፈቱ::\" ዶ\/ር ደብረጽየን ናይ ሰላም፣ ልምዓትን ዴሞክራሲን መደባት፣ መዓንጣና ኣስጢምና ብምስራሕ፣ መጠናዊን ዓይነታዊን ሕብረተሰባዊ ለውጢ ብምምዝጋብ ካልእ ሓድሽ ታሪኽ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%8C%BD%E1%8B%A8%E1%8A%95-%E1%8C%88-%E1%88%9A%E1%8A%AB%E1%8A%A4%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%88%83%E1%89%A5%E1%8B%8E-%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-\/5957035.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ማእሰርቲ ይካየድ ከምዘሎ ተፈሊጡ","content":"ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ኢትዮጵያ ተወለድቲ ትግራይ ብበዝሒ ይእሰሩን ናይ ንግዲ ትካሎም እውን ይዕሸጉ ከምዘለውን ኣባል መሪሕነት ተቓዋሚ ፓርቲ ሳልሳይ ወያነን ገለ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባን ንቪኦኤ ገሊፆም።እናተሓፈሱ ናብይ ይውሰዱ ከምዘለው ኣይንፈልጥን ኢሉ ኣብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢን ርክብ ፖለቲካዊ ውድባትን ኣቶ ሃይሉ ከበደ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ልዕሊ ደርዘን ጋዜጠኛታት ከምዝተኣሰሩ ንጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ዓለምለኸ ትካል CPJ ገሊፁ። ብዛዕባ ማእሰርቲ ተወለድቲ ትግራይን እቶም ጋዜጠኛታትን ሓበሬታ ከምዘለዎ ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን ኣፍሊጡ ኣሎ። ቪኦኤ ካብ ፌደራል ፖሊስ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ፃዕሪ ኣይሰለጠን ይኹን እምበር ምክትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ዝርዝር ጉዳይ ከየልዐሉ ኣሸባሪ ኢለን ንዝፅውዕኦ ህወሓት ዝድግፉ ምህላዎም ብግላፅ ነዚኦም ተሓተቲ ንምግባር የድሊ እዩ ኢለን። ሽሙን ስርሑን ክግለፀሉ ዘይደለየ ነባራይ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከተማ መቐለ ብሓይልታት ትግራይ ካብ ትትሓዝጀሚሩ ሰፊሕ ማእሰርትን ምዕፃው ብተጋሩ ዝውነኑ ኣብያተ ንግዲን ከምዘሎ ሓቢሩ። ምስ ኣዕርኽቱ እናተጉዓዘ ከሎ ብፖሊስ ተታሒዙ ተኣሲሩ ከምዝነብረን ፀኒሑ ከምዝተፈትሐን ዝገለፀ ካሊእ ነባራይ ኣዲስ ኣበባ ካልኦት ግን ዛጊድ ከምዘይተፈትሑን ኣበይ ከምዘለውን ከምዘይፈልጥን ዝገለፀን እቲ ማእሰርቲ ሎሚ እውን ከምዝቐፀለን ሓቢሩ። ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይን ሰራሕተኛታት ሚዲያን ሓዊሱ ምስ ህወሓት ርክብ ኣለኩም ብዝብል ተጠርጢሮም ዝተኣስሩ ሰባት ምህላዎም ቅድሚ ማዕልታት መግለፂ ዘውፅአ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነቲ ኩነታት ይከታተሎም ከምዘሎ ገሊፁ ኣሎ።ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ብመንነት ብምፍላይ ንጥርጣረን ኣድልዎን ዘቃልዕ ተግባር ከይኸውን ዘለዎ ስግኣት እቲ ኮሚሽን ገሊፁ ኣሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ እንተወሓደ ን15 ሰራሕተኛታት 2 ነፃ ሚዲያታት ምእሳሮም CPJ ዝተብሃለ ንጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ዓለምለኸ ትካል ኣብዚ ቅኒያት ኣፍሊጡ ኣሉ። CPJ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ዝተኣሰሩ ኩሎም ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት ሚዲያን ብዘይውዓል ሕደር ክፈትሑን ንኣባላት ፕረስ ምንክልባት ጠጠው ምባሉ ከረጋግፁን ፀዊዑ ኣሎ። ፖሊስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከብ ቤት ፅሕፈት ኣውሎ ሚዲያ ብምውራር እንተወሓደ ን12 ሰራሕተኛታትኣሲሮም ክብል ንፀብፃባት ዜና ብምጥቓስ፣ንጠበቓ ናይቶም ጋዜጠኛታት ታደለ ገብረመድህንንንገለ ኣባላት ስድራ እሱራትን ብምዝርራብ ከምዝተረድአ CPJ ሓቢሩ። ካብዚ ብተወሳኺ ሰራሕተኛትት ኢትዮጵ ፎረም ዝኾኑ ጋዜጠኛ ኣበበ ባዩን ኣማሓዳሪ ናይቲ ብዩቱብ ዝፍኖ ሚዲያ ያየሰው ሽመልስን ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም ኣለው። ቪኦኤ ዘዘራረቦም ገለ ኣባላት ስድራ እሱራት ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት ሚዲያን ካብ ዝእሰሩ ሰሙን እንተገበሩ እውን ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡ ገሊፆም።ተፈቲሖም ተባሂሉ እንተተነገሮም እውን ክሳብ እዚ ቃለ ምልልስ ዝካየድ ዘለውሉ ኩነታት ከምዘይፈልጡ ኣምሪሮም ይገልፁ። ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/there-are-reports-of-widespread-arrests-of-tigrians-and-15-media-employees-in-ethiopia-according-to-eyewitnesses-and-cpj\/5956598.html"} {"headline":"ኤርትራ: ህወሓት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ናይ ሕነ ምፍዳይ ቕትለት ይፍጽም ኣሎ ክትብል ትኸስስ","content":"ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ግብረመስቀል ብትዊተር ኣብ ዘውጽእዎ መልእኽቲ \"ህወሓት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ከይተረፈ ቁጽጽር ኣብ ዘይብሉ ህልቂት ሰላማዊያን ሰባትን ናይ ሕነ ምፍዳይ ቅትለት ይፍጽም ኣሎ\" ይብል:: ንሶም ወሲኾን \"እንተኾነ ግና እዞም ግፍዕታትን ዘይሕጋዊ ስጉምቲታት ህወሓትን ብሓፈሻ ከም ኦቻን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝአመሰላ ብፖለቲካዊ መርገጺ ዝምርሑ ትካላት ሕቡራት ሃገራት: ገለ መንግስታትን መሓውራት ዜና ክግለጹ ኣይረኣይን\" ኢሎም:: ነዚ ክሲ መንግስቲ ኤርትራ ብዝምልከት ምላሽ መንግስቲ ክልል ትግራይ ምስ ረኸብና ከምነቕርብ ክንሕብር ንፈትው::","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%95%E1%8A%90-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%89%95%E1%89%B5%E1%88%88%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8D%8D%E1%8C%BD%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8A%B8%E1%88%B5%E1%88%B5\/5955640.html"} {"headline":"ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ንግጭት ክልል ትግራይ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክትግበር ምጽዋዖም ሮይተርስ ሓቢሩ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብውግእ ስለዘይዕወት፣ ኣብ ልዝብ ዝተመስረተ ምቁራጽ ተኹሲን ፖለቲካዊ ፍታሕን ንክግበር ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ሎሚ ሰሉስ ጸዊዖም። ሰራዊት መንግስቲ ካብ መቐለ ካብ ዝወጹ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ምስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ቃለ ምልልስ ዝገበሩ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ \"ድሕሪ ስዕረት ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ተዘራሪብና ናብ ምቁራጽ ተጻብኦ ንብቃዕ ኢና ንብል ዘለና\" ኢሎም። ጀነራል ጻድቃን ካብ ዘይተነጸረ ስፍራ ኮይኖም ኣብ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ወሲኾም \"ንኩሎም ጸገማት ብፖለቲካ ንፍታሓዮም ኢልና ንርእስና ንግድብ ኣለና፣ ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ኩነታት’ዚ ክግንዘበልና ኢና ንደሊ:ካልእ ኣማራጺ እንተተሳኢኑ ግና፣ ብወትሃደራዊ ሓይሊ ክንፈትሖ ኢና\" ኢሎም ። ወሃቢ ቃል ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድን፣ መንግስቲ ንዘቆሞ ናይ ክልል ትግራይ ኮማንድ ፖስትን፣ ግብረ መልሲ ንክህቡሉ ዝተገብረ ፈተነ ኣይተዓወተን። መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ን ክልል ትግራይ የመሓድር ንዝነበረ ህወሓት፣ ኣብ ልዕሊ ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ብምባል ካብ ሕዳር ጀሚሩ ምስ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ውግእ ተጸሚዱ እዩ ጸኒሑ። ህወሓት ግና ነዚ ክሲ’ዚ ነጺግዎ እዩ። ህወሓት ብወገኑ፣ ንተጋሩ ኣግሊሉ ስልጣን ንምብሓት ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ይኸሱ። መንግስቲ ብወገኑ፣ ንገበነኛታት ዝብሎም ኣባላት ህወሓት ይሃድኖም ኣለኹ ይብል። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ግና፣ ውግእ ንከብቅዕን ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ዝጠመየ ህዝቢ ክባጻሕን፣ ዓለምለኸ ጸቅጢ ኣብ ልዕሊ ክልቲኦም ወገናት ሓይሉ ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ስልታዊ ምንስሓብ ኣብ ትሕቲ ዝበሎ ፍጻመ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ባይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ተግቢሩ እዩ። ህወሓት ግና ንመግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ቀልዲ’ እዩ ብምባል ንሰራዊት መንግስቲ ደፊኡ ከምዘውጸኦም ይሕብር። ህወሓት ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ \"ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ልዝብ ዘብቅዕ ምቁራጽ ተኹሲ ምስምማዕና ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ሙሉእ ንሙሉእ ካብ ትግራይ ክወጹ ኣለዎም\" ከምዝበለ ዝዝከር እዩ። እቲ መግለጺ ወሲኹ ሰራዊት ተመሊሶም ዘይኣትውና እንተኾይኖም፣ ምቁራጽ ተዂሲ ብመሰረተ ሓሳብ ደረጃ ቅቡል እዩ፣ ካብኡ ዝሰገረ ግና፣ ኣብ ስምምዕነት ቅድሚ ምብጻሕና ካልኦት ክማልኡ ዘለዎም ቅድመ ኩነታት ኣለው ይብል። ገለ ካብ’ቶም ቅድመ ኩነታት፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ’ቲ ክልል ብዘይዕንቅፋት ንክኣትው፣ ከም ኤለክትሪክ፣ ስልኪን ጥዕናን ዝበሉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ምምላእ ዝብሉ ይርከብዎም። ምስ ሮይተርስ ቃለ ምልልስ ዘካየዱ ጀነራል ጻድቃን \"ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ክልል ትግራይ ወትሃደራዊ ስዕረት ኣጋጢሙና ኢሎም ክሳብ ዘይተቀበሉ፣ ውግእ ክቅጽል እዩ\" ኢሎም። ንሶም ወሲኾም መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ረድኤት ናብ’ቲ ክልል ንከይኣትው ኮነ ኢሉ ይኽልክል ኣሎ ክብሉ ከሲሶም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ኣይከልከልኩን እዩ ይብል። ጀነራል ጻድቃን ኣብ’ቲ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣስታት ሸሞንተ ሽሕ ወትሃደራት ኢትዮጵያ፣ ምሩኻት ውግእ ኮይኖም ከምዘለው ጠቂሶም። ወትሃደራዊ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነ ብወገኖም እቲ ብጀነራል ጻድቃን ዝተገለጸ በዝሒ ምሩኻት ዝተጋነነ እዩ ክብሉ ከለው ሮይተርስ ብወገኑ ነቲ ኣሃዝ ከረጋግጽ ከምዘይከአለ ሓቢሩ'ሎ። ትማሊ ሶኑይ ንፓርላማ ኢትዮጵያ መብርሂ ዝሃቡ ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ \"ኣድላዪ እንተኾይኑ፣ ሚልዮን ኢትዮጵያዊያን መናእሰይ፣ ኣብ ትግራይ ንክዋግኡ ቅሩባት እዮም፣ እንተኾነ ቀዳምነት ዝዋሃቦ ሰላማዊ ፍታሕ እዩ’\"ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%8B%9B%E1%8B%9A-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%88%95-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%8C%BD%E1%8B%8B%E1%8B%96%E1%88%9D-%E1%88%AE%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%88%B5-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5955630.html"} {"headline":"ኣብ አዲስ አበባ ምስ ህወሓት ርክብ ኣለዎም ዝተባህሉ ተወላዶ ትግራይን ጋዜጠኛታትን ምእሳሮም ተገሊጹ","content":"ኣብ አዲስ አበባ ምስ ህወሓት ርክብ ኣለዎም ዝተባሃሉ ዝተባህሉ ተወላዶ ትግራይን ጋዜጠኛታትን ኣብ አዲስ አበባ ከምዝተኣሰሩ ተገሊጹ። ንድምጺ ኣሜሪካ ርእይትኡ ዝሃበሓደ ትግራዋይ መንእሰይ \"ቀዳም ዩኒፎርም ብዘይለበሱ ፖሊስ ከምዝተኣሰረን ምሸት ከምዝተፈትሐን፣ እቶም ፖሊስ ምስ ጉጅለ ግብረ ሽብራ ተባሂሉ ዝተመደበ ህወሓት ትራኸብ ኢኻ ተባሂልካ ትጥርጠር ኢኻ ከምዝበልዎን\" ጠቂሱ ኣሎ። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ ነቲ ሓበሬታ ይከታተሎ ከምዘሎ ገሊጹ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብ ናይ ጽባሕ ፈነወ ተኸታተሉ::","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%88%AD%E1%8A%AD%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%89-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B6-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%88%B3%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9-\/5955619.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ንግድብ ህዳሴ ምምላእ ምጅማራ ግብጺ ኣፍሊጣ","content":"ኢትዮጵያ፣ ነቲ ኣካታዒ ኮይኑ ዘሎ ግድብ ህዳሴ ምምላእ ከምዝጀመረት ግብጺ ኣፍሊጣ። እዚ ተበግሶ’ዚ፣ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ንሱዳን ዝሓወሰ ኣጀንዳ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ንምዝርራብ ኣብ ዝዳለወሉ እዋን ኮይኑ፣ ንውጥረት ቀርኒ ኣፍሪቃ ይሕበር ኣሎ። ግብጺ ትማሊ ሶኑይ ኣብ ዝዘርገሐቶ መግለጺ ኢትዮጵያ ነቲ ኣሳሓሓቢ ግድብ ምምላእ ከምዝጀመረትን እዚ ስጉምቲ’ዚ፣ ቅድሚ ንሱዳን’ውን ዝሓወሰ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ምክያዱ፣ ውጥረት ከምዘንህር ኣፍሊጣ ኣላ። ሚኒስትር መስኖ ግብጺ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ \"ሚኒስትር መሓመድ ዓብደል ዓጥይ፣ ካልኣይ ዙር መስርሕ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሴ ይሳለጥ ከምዘሎ ዝሕብር ደብዳቤ ካብ ኢትዮጵያዊ መዘነኦም ወግዓዊ ፍለጡልና ዝብል ከምዝበጽሖም\" ጠቂሱ። \"ኢትዮጵያ ትወስዶ ዘላ ሓደ ወገናዊ ስጉምቲ ከምትነጽጎ’ውን\" ግብጺ ኣፍሊጣ ኣላ። እዚ ስጉምቲ’ዚ ንዞባዊ ሰላምን ህድኣትን ሓደገኛ ከምዝኾነ’ውን ጠቂሳ። ግብጺን ሱዳንን፣ ግድብ ህዳሴ ዝመልአሉን ዝሰርሓሉን ኣገባብ ንምንጻር ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ንከሐግዛ ደጋጊመን መጸዋዕታ ኣቅሪበን እየን። ብመሰረት’ዚ፣ ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ግብጺን ሱዳንን፣ ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንምስታፍ ኣብ ኒውዮርክ ኣትዮም ይርከቡ። ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲ ብጽሒት ማይ ግብጺ ንዝንኪ ተግባራት አዲስ አበባ መንግስቶም ከምዘይጻወሮን ኩሎም ኣማራጺታት ኣብ ቦተኦም ከምዘለው፣ አዲስ አበባ ምስ ካይሮን ካርቱምን ክተሓባበርን ግጭትን ንክወግድን ጸዊዖም እዮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%8A%A5-%E1%88%9D%E1%8C%85%E1%88%9B%E1%88%AB-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A3\/5955614.html"} {"headline":"ባይቶ ጸጥታ ሕ\/ሃ ኣብ ጉዳይ ክልል ትግራይ ዘካየዶ አኼባ ብዘይ ስምምዕ ተዛዚሙ","content":"ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ጉዳይ ናይ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ብወግዒ ዝገበሮ ኣኼባ ብዘይስምምዕ ተወዲኡ። ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ እዋን፡ ሓይልታት ትግራይ ስምምዕ ተኹሲ ደው ክገብሩ ዘተሓሳሰበ ክኸውን ከሎ፡ ሰብኣዊ ቅልውላው`ቲ ኽልል ንምቕራፍ ድማ ፖለቲካዊ ፍታሕ ምምጻእ ጠቓሚ ምዃኑ ኣፍሊጡ`ሎ። ኣብቲ ኣኼባ ክልተ ዝተፈላለዩ መርገጽታት ተንጸባሪቖም`ዮም ኣሜሪካ ሕጂ`ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ተበጻሕነት ሰብኣዊ ኣገልግሎታት ንምርግጋጽ ሓላፍነቱ ክፍጽም ኣለዎ ክትብል ከላ: ሩስያ ብወገና ጉዳይ ክልል ትግራይ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ውሽጢ ጉዳይ`ዩ ኣብ ዝብል መርገጻ ጸኒዓ`ላ። ቻይና`ውን ምስ ሩስያ ዝሰማማዕ መርገጽ`ያ ኣንጸባሪቓ። ተወካሊ ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ እታ ሃገር ዘለውዋ ብድሆታት ብዝግባእ ብምርዳእ ነቲ ትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ክድግፉ ጸዊዑ`ሎ። ኣብቲ ኣኼባ ብቐዳምነት ዝተዛረበት ምኽትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳያት ፖለቲካን ጸጥታን ሮዝመሪ ዲካርሎ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ትርከብ ድሕሪ ምባል ሓይልታት ትግራይ ስምምዕ ተኹሲ ደው ኣብል ክገብሩ ኣለዎም ኢላ። ንተለወጥቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ብምውካል ዝተዛረብ ናይ ኬንያ ኣምባሳደር ብወገኑ፡ ባይቶ ጸጥታ ነቲ ኣኼባ ምጽውዑ ብምቅዋም፡ ኣፍሪቃውያን ናይ ባዕሎም ጸገም ባዕሎም ዝፈትሕሉ ዕድል ክውሃቦም ኣለዎ ኢሉ:: ምሉእ ጸብጻብ ጽባሕ ኣብ ናይ ጽባሕ ፈነወ ተኸታተሉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B6-%E1%8A%A0%E1%8A%BC%E1%89%A3-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%99\/5954083.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንፓርላማ'ታ ሃገር መግለጺ ሂቦም","content":"ሰራዊት ምክልካል ኢትዮጵያ ካብ ክልል ትግራይ ዝወጸ ብኣርባዕተ ግንባራት ተኸፊሉ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ብዝወሰደ መስርሕ ምዃኑ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጡ። ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ግጭት ብዙሕ ምትእትታው ዘለዎ`ዩ ዝበለ ዶ\/ር ኣቢይ፡ እቲ ግጭት ደው ክብል ዘይደልዩ ከምዘለዉን እቲ ዕላማ ድማ ንትግራይ ወሲኽካ ንኢትዮጵያ ንምድኻም` ምዃኑን ሎሚ ንፓርላማ ሃገሩ ገሊጹ። ሰበ-ስልጣን ህወሓት ብተደጋጋሚ ኣብ ዝህብዎም መግለጽታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መቐለን ካልኦትን ዝወጸ ተሳዒሩ`ዩ ዝብሉ`ኳ እንተኾኑ: መንግስቲ መጽናዕቲ ኣካይዱ ብዘሕለፎ ውሳነ መሰረት ሰራዊቱ ምውጽኡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ሎሚ ንፓርላማ ተዛሪቡ`ሎ። ብዛዕባ`ዚ ካብ ክልል ትግራይ ምላሽ ምስ ረኸብና ክነቕርብ ኢና። ብኻልእ ወገን ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ፓርላማ ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ እቲ ዝተገብረ ሃገራዊ ምርጫ ህዝበ-ውሳነ`ዩ ክብል ገሊጽዎ ። ። ንዝመጽእ ዓመት ኢትዮጵያ፡ 561.67 ቢልየን ብር ባጀት ኣጽዲቑ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%95%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%88%8B%E1%88%9B-%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%82%E1%89%A6%E1%88%9D\/5954072.html"} {"headline":"መንግስቲ ክልል ትግራይ ተኹሲ ደው ንምባል ቕድመ ኹነት ኣቐሚጡ","content":"ብህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ክልል ትግራይ ተኹሲ ጠጠው ንምባል ቅድመ ኹነት ኣቀሚጡ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ካብቲ ክልል ክወፁ ኣብቲ ክልል ዓለምለኸ በረራ ምክያድ ሓዊሱ ኩሎም መራኸቢታት ክኽፈቱ ብተወሳኺ ድማ ናብ ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ኣካል ጸጥታ ፌደራል መንግስቲ ከይኣትው ዝብሉ ቅድመ ኹነት ካብ መንጎ ዝተቀመጡ’ዮም። እቲ ናይ ፅሑፍ መግለፂ ጸገማት ብሰላማዊ መንገዲ ምፍታሕ ከም መትከል ዝቅበሎ ምኻኑ ብምግላፅ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ተኹሲ ጠጠው ንምባል ቅድመ ኹነት ኣቀሚጡ’ሎ። እቲ መግለፂ ወሲኹ ሰራዊት ምክልኻል ካብ ትግራይ ዝወፀ ብሓይሊ ተወቂዑ’ምበር ንሓረስቶት ሓልዩ ኣይኮነን ኢሉ’ሎ’። ብዛዕባ’ዚ ብህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዘውፅኦ መግለፂ ምላሽ መንግስት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንምርካብ`ውን ንሰርሕ’ለና። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ነቲ ስጉምቲ በይናዊ ምቁራፅ ተፃብኦ ዝገበርክሉን ምኽንያት ስብኣዊ ረድኤት ናብ ህዝቢ ክበፅሕን እዋን ክረምቲ ብምዃኑ ሓረስቶት ንኽሓርሱን ብምባል’የ ክብል ምግላፁ ይዝከር። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%8A%B9%E1%88%B2-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%89%95%E1%8B%B5%E1%88%98-%E1%8A%B9%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%80%E1%88%9A%E1%8C%A1\/5954041.html"} {"headline":"ኣጻራይ መረዳእታ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኢትዮጵያ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ቕትለት ይፍጽም ኣሎ ክብል ይኸስስ","content":"ብመሰረት መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ፋና ኣካል ናይ ኣዋጅ ህጹጽ ኢትዮጵያ ግዜ ዝኾነ ኣጻራይ መረዳእታ ኣሸባሪ ኢሉ ዝጸውዖ ህወሓት ድሕሪ ምውጻእ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ሰባት ቅትለት ይፍጽም ኣሎ ክብል ኣፍሊጡ። ህወሓት ኣብ ነበርቲ ከተማታት ክልል ትግራይ ዝተፈላለየ መጥቃዕቲ ይፍጽም ኣሎ ዝበለ እቲ ኣጻራይ መረዳእታ ህጹጽ እዋን፡ ምስ ግዚያዊ ምምሕዳርን ምስ ምክልኻልን ተሓባቢርኩም ብዝብል ሰባት ይቐትል ኣሎ-እዚ ድማ ኣብቲ ኽልል ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝፈጥር`ዩ ኢሉ። እቲ ኣጻራይ መረዳእታ ህጹጽ እዋን ብተወሳኺ፡ ህወሓት ከምቲ መንግስቲ ዝገበሮ ተኹሲ ደው ኣብ ክንዲ ዘብል፡ ንኢትዮጵያውያንን ንዓለምለኸ ማሕበረሰብን ብናይ ሓሶት ናይ ዓወት ፕሮፓጋንዳ፡ ንምትላልን ትኹረት ንምርካብን ብዝገብሮ ምዕልባጥ፡ ንወሃብቲ ረድኤት ትካላት ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ የእትዎም ምህላዉ፡ ኢትዮጵያውያንን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ክግንዘቡ ይግባእ ክብል ኣገልግሎት ዜና ፋና ሓቢሩ። ብዛዕባ ክሲ፡ ካብ ህወሓት ምላሽ እንተረኺብና ክነቕርብ ኢና። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%8C%BB%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%88%A8%E1%8B%B3%E1%8A%A5%E1%89%B3-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%8C%85-%E1%88%85%E1%8C%B9%E1%8C%BD-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8A%95%E1%8C%B9%E1%88%83%E1%8A%95-%E1%89%95%E1%89%B5%E1%88%88%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8D%8D%E1%8C%BD%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8B%AD%E1%8A%B8%E1%88%B5%E1%88%B5\/5954011.html"} {"headline":"ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ\/ሃ ኣብ ጉዳይ ክልል ትግራይ ከምዝዘራረብ ተፈሊጡ","content":"ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ጉዳይ ክልል ትግራይ ከምዝዘራረብ ተፈሊጡ። ኣብ ኒውዮርክ ትርከብ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ከምዝገለጸቶ \"ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ክልል ትግራይ ክፉት ኣኼባ ንከካይድ ንፈለማ ጊዜ እዩ። ቅድሚ ሎሚ ዕጹው ኣኼባ እዩ የካይድ ነይሩ\"ኢላ:: ኣብ’ቲ ናይ ሎሚ ክፉት ኣኼባ፣ ካብ ክፍሊ ፖለቲካን ክፍሊ ሰብኣዊ ጉዳያትን ሪፖርት ክሰምዕ እዩ። እዚ ናይ ሎሚ ኣኼባ ንክካየድ ዝተወሰነ፣ ኣሜሪካ፣ ብሪጣንያ፣ ኣየርላንድን ፈረንሳን ብመሰረት ዘቅረበኦ ሕቶ’ዩ። ካልኦት ኣባል ሃገራት’ውን ሓቲተን ክኾና ከምዝክእላ ተሓቢሩ'ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%A8%E1%89%A5-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5951454.html"} {"headline":"መደረ ዶ\/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤልን ርእይቶ ነበርቲ ከተማ መቐለን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ክልል ትግራይ","content":"ብህዝቢ ዝተመረጸ ሕጋዊ መንግስቲ ናብ ቦታኡ ተመሊሱ ክብል ብህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ክልል ትግራይ ገሊጹ። ሓይልታት ትግራይ ንከተማ መቐለ ድሕሪ ምቍጽጻሮም፡ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብ ኣደባባይ ወጺኦም ንህዝቢ ናይ እንቋዕ ደስ በለካ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። ነበርቲ ከተማ መቐለ'ውን ርእይቶ ሂቦም ኣለው:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8B%B0%E1%88%A8-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%8C%BD%E1%8B%A8%E1%8A%95-%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%9A%E1%8A%AB%E1%8A%A4%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-\/5951435.html"} {"headline":"ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ክልል ትግራይ ናይ ህይወት-ኣድሕን ስራሑ ይቕጽል ምህላው ገሊጹ","content":"ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ክልል ትግራይ ናይ ህጽጹ እዋን ሓገዝ ስራሑ ደኣ ይጀምር እምበር:ብሰንኪ ስእነት ውሕስነት ጸጥታ ግን ናብቶም ቀንዲ ሓገዝ ዝደልዩ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ክበጽሕ ከም ዘይከኣለ ይገልጽ ኣሎ። ኣብ ክልል ትግራይ ዝርአ ዘሎ ቅልጡፍ ምዕባለታት ንብዙሓት ኣገሪሙ ኣሎ። ገለ ካብኡ በይናኣዊ ምእዋጅ ምቍራጽ ተጻብኦታት ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ክኸውን እንከሎ፡እቲ ካልእ ድማ ቅልጣፈ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ምትሓዝ ርእሰ-ከተማ መቐለ’ዩ። ኣወሃሃዲ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ትግራይ ዝኾኑ ቶሚ ቶምሶን፡ 35 ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ኣብ መንጎ ተቐርቂሮም፣ ስራሓቶም ድማ ን48 ሰዓታት ደው ኢሉ ምጽናሑ ይገልጹ። እንተኾነ ግን ይብሉ እቶም ኣወሃሃዲ ነገራት ብኣዝዩ ቅልጡፍ ገስጋስ ይስጕሙ ብምህላዎም ስራሓቶም ዳግም ጀሚሮምስ ናብ ልዕሊ 40-ሽሕ ዝበጽሑ ተጸበይቲ ናይ እኽሊ ሓገዝ ረድኤት መግቢ ምብጽሖም ይሕብሩ። ንሶም ካብ መቐለ ብቴለፎን ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምኻኑ ጠቂሶም።ስራሕተኛታት እቲ ትካል ብናጻ ክንቀሳቐሱ ብዘይምኽኣሎምን ናብ ኵሉ ቦታታት ዘይተገደበ ናይ ምንቅስቓስ ፍቓድ ስለ ዘይብሎምን ንጥፈታቶም ብኸምቲ ዝደልዩዎ ፍጥነት ክኸይድ ከም ዘየክኣለ ኣረዲኦም። ካብ ሰኑይ ኣትሒዙ መስመራት ቴለፎንን ኤለክትሪክን ምቍራጹን ንግዳውን ሰብኣዊን በረራታት ጠጠው ምባሉን ገሊጾም። “ዝመጸና ነዳዲ ከምኡ’ውን ንህዝቢ ክንዝርግሖ ዝተመደበ ቀረባት መግቢ የለን ። ሕጂ በቲ ኣብ ኢድና ዝጸንሐ ጥራይ ኢና ንንቀሳቀስ ዘሎና። ባንክታት ተዓጽዮም ኣለዉ፣ ምናልባት እንተ ተኸፍቱ’ውን ገንዘብ የብሎምን። ስለዚ ድማ ንዝኾነ ስራሓት ክንከፍል ኣይንኽእልን ዘሎና፣ እዚ ከኣ ካልእ ጸገም’ዩ” ኢሎም። ቶምሶን ወሲኾም ሓያሎ ዘይመንግስታውያን ትካላት ብሰንኪ ዘሎ ሕጽረት ገንዘብን ካልእ መሳለጥያታትን ስራሓተን ደው ከብላ ይሓስባ ምህላወን:ትካሎም ናብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ንዓበይቲ መካይን ንኽልተ ሰሙናት ዘንቀሳቕሰን ጥራይ ቀረብ ነዳዲ ከም ዘለዎም’ውን ኣይሓብኡን። ድሕሪኡ ግን ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ደው ክብሉ ከምዝግደዱ ገሊጾም። ንምዕራብ ትግራይ ዘራኽብ ቍልፊ ድልድል ተከዘ ብሓሙስ ድሕሪ ምዕናዉ ነቲ ዝነበረ ጸገም መሊሱ ተጋዲዱ ኣሎ። ምስቲ ኵሉ ዘሎ ሽግራት ግን እቲ ኵነታት ምዕዳል ረድኤት ቀልጢፉ ከመሓየሽ በዓል ተስፋ ምዃኖም ቶምሶን ጠቒሶም: ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ በበይኖም ሓይልታት ክዘራረቡ ምምዳቦም’ውን ገሊጾም። እዚ’ዉን ብነፍርቲ ዝዕደል ሓገዝ’ውን ኣካል ናይቲ ተወጢኑ ዘሎ መደብ ምዃኑ'ውን ሓቢሮም “ናይ ነፈርቲ ሓገዝ ኣብ ዝቅፅላ መዓልታት ክፍቀድ በዓል ምሉእ ተስፋ’የ። ንሱ እንተ ሰሊጡ፡ ንምንቅስቓስ ኣባላትናን ንሕጸረት ኣጋጢሙና ዘሎ ገንዘብን ክፈታሕ’ዩ።እዚ ዓብይ ሓገዝ’ዩ ”ኢሎም። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ናብ 2.1 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ንምብጻሕ ዓሊሙ ኣሎ። 350-ሽሕ ዜጋታት ካብዚኣቶም ኣብ ድርኩኺት ዓፀቦ ሓደጋ ዘለዉ’ዩም። ብመሰረት ካብቲ ትካል ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ነዚ ወጢኑዎ ዘሎ ዕላማ ንምብጻሕ፡ዘይተገደበ ናይ ምንቅስቓስ ፍቓድ ከምኡ’ውን ንህይወት-ኣድሕን ዝውዕል ኣስታትት 176 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካን የድልዮ። እዚ መጠን ገንዘብ’ዚ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ክሳብ ዝውዳእ ምዃኑ’ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%85%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%91-%E1%8B%AD%E1%89%95%E1%8C%BD%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5951398.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ባንክ፥ማይን ኤሌትሪክ ሓላፍነት ወሲዱ ንክልል ትግራይ ምብጻሕ ከምዝጽገም ኣፍሊጡ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ባንክ፣ መብራህቲን ስልኪን ሓላፍነት ወሲዱ ኣብ ክልል ትግራይ ንምብጻሕ ከምዝጽገም ገሊጹ። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ምስ ኣብ አዲስ አበባ ዝሰርሑ ዲፕሎማት ሎሚ ኣብ ዝነበሮም ዘተ፣ ረድኤትን ዝኣመሰሉን ኣገልግሎታት ንምግዓዝ ንዝግበሩ በረራታት፣ ብሕልፊ ንነፈርቲ ሕቡራት ሃገራት፣ ተፈቲሸን ንክሓልፋ ናይ ኣየር ክልል ከምዝፍቀደለን ሓቢሩ ኣሎ። እንተኾነ እተን ነፈርቲ ኣብ ክልል ትግራይ ድሕሪ ምእታወን ጸገም እንተጋጢሙወን ሓላፍነት ከምዘይወስድን፣ ንናይ መሬት መጓዓዝያ’ውን ሓላፍነት ከምዘይወስድ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ እዩ። ድልድል ተከዜ ከምዝተሰበረ’ውን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣረጋጊጹ። ነቲ ኣኼባ ብመደረ ዝኸፈቱ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ደመቀ መኮንን፣ ቅልውላው ትግራይ ንምፍታሕ፣ ኩሉ ሓቆፍ ልዝብ ንምክያድ ዘሕግዝ ፍኖተ ካርታ ተዳልዩ ኣሎ ከምዝበሉ፣ ኣብ’ቲ ልዝብ ዝሳተፉ \"ሕጋዊ ተቃወምቲ ፓርቲታት፣ ሰላማዊ ኣገባብ ዝኽተሉ ኣባላት ህወሓት፣ ማሕበረሰብ ንግዲን ኮሚኒታዊ ትካላት፣ ዓበይቲ ዓዲን ካልኦት ፍሉጣት ውልቀ ሰባትን ዝሳተፍሉ ከምዝኾነ\" ተገሊጹ ኣሎ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%89%A3%E1%8A%95%E1%8A%AD-%E1%88%9B%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%8C%E1%89%B5%E1%88%AA%E1%8A%AD-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%88%B2%E1%8B%B1-%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8C%BD%E1%8C%88%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5951395.html"} {"headline":"ንክልል ትግራይ ዘራኽብ ድልድል ተከዘ ምዕናው ስኽፍታታት ይፈጥር ምህላው ተገሊጹ","content":"ንምዕራብ ትግራይ ዘራኽብ ወሳኒ ድልድል ተከዘ ምዕናዉ ስክፍታት የዛይድ ኣሎ። ኣህጉራዊ ትካል ኮሚተ ድሕነት ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ንትግራይ ዘራኽብ ድልድል ተከዘ ብምዕናዉ ነቲ ክካይድ ዝድለ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝዕንቅፍን ድሕሪት ዝመልስን ምዃኑ ገሊጹ። ንኹላቶም ኣብዚ ኲናት ዝዋስኡ ዘለዉ ወገናትንሰላማዊ ህዝቢ ንምሕጋዝ ዘይተገደበ ናይ ምንቅስቓስ ፍቓድ ክህቡ ድማ እቲ ትካል ተማሕጺኑ። ኣማሓዳሪት ትካል ሓገዝ ስግር ባሕሪ ኣሜሪካ (ዩኤስኤኣይዲ) ሳማንታ ፓወር ድሕሪ ምዕናው ድልድል ተከዘ፡ ካብተን ንትግራይ ዘራኽባ ኣርባዕተ መስመራት ሕጂ ሓንቲ ጥራይ ተሪፋ ኣላ ኢለን። ወሃብ ቃል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኤሪ ካነኮ፡ ብዛዕባ ምዕናው ድልድል ተከዘ ከም ዝሰምዑ እኳ እንተ ጠቐሱ:ክሳብ ሕጂ ግን ጭቡጥ ሓበሬታ ከም ዘይረኸቡ ጠቒሶም። እቶም ወሃብ ቃል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብጋዜጠኛታት ንዝቐረበሎም ሕቶ ከምዚ ክብሉ መሊሶም፤ “ሰራሕተኛታት ናይ ካልኦት ትካላትን ናብ ትግራይ ከይዶም ሓገዝ ክህቡ ንጽውዕ ኣሎና። እዚ ንሰምዖ ዘሎና ምዕናው ናይቲ ድልድል ሓቂ እንተኾይኑ:ነቲ ዝድለ ዘሎ ሓገዝ ንድሕሪት ዝመልስን ተስፋ ዘቝርጽን’ዩ፡” ኢሎም። ንኣስታት ሽሞንተ ኣዋርሕ ኣብቲ ክልል ድሕሪ ዝነበረ ኲናት፡ ኣስታት 5 ሚልዮን ካብ ህዝቢ ትግራይ:ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ ከም ዘድልዮ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የምልክት። ኣስታት 350ሽሕ ድማ ካብዚኣቶም ብዝኸፍአ ደርቂ ዝጥቅዑ’ዮም። ኣባል ዩኤስኤኣይዲ ዝኾና ሳራ ቻርለስ ብሰሉስ ንአባላት ቤት ምኽሪ ተወክልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃበኦ ምስክርነት፡ እቶም ጥሜት ዘንጸላልዉም ዘሎ ዜጋታት ኣስታት ሓደ ሚልዮን ከም ዝበጽሑ ኣመልኪተን። ቅልጡፍ ፍታሕ ምስ ዘይህሉ ዝኸፍአ ክስዕብ ምዃኑ ድማ ኣጠንቂቐን። ወሃብ ቃል ውድብ ሕቡራት ሃገራት’ውን:ብሰንኪ ኣብ ባይታ ዝርአ ዘሎ ቅልጡፍ ምልውዋጥ፡እቲ ዝነበረ ዘይምቹእ ኩነታት መሊሱ ከም ዝበኣሰ ገሊጾም። ኣብ ርእሲኡ፡ምቍራጽ በረራታት:መስመር ቴለፎንን ኤለትሪክን ካልእ ጸገም ፈጢሩ ምህላዉ ወሲኾም ይሕብሩ። ምስቲ ዘሎ ብዙሕ መሰናኽላት ግን ትካላት ወሃብቲ ረድኤት ዝከኣሎም ይሰርሑ ኣለዉ። ብድሩት ዓቕሚ ድኣ ይኹን እምበር፡ ቀረባት ማይ ነዳዲን ዝነድድ ዕንጸይቲን ብረቡዕ ኣብ ገለ ወገናት ከተማ መቐለ ከባጽሑ ክኢሎም ኣለዉ። ኣብ ሽረ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ናይ ጽሩይ ዝስተ ማይ ሓገዝ፣ ከምእ’ውን ኣብ ከተማ ሳምረ ናይ መሰረታዊ ቀረባት ጥዕና ሓገዝ ከም ዝተላእከ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝወሰዶ በይንኣዊ ተበግሶ ምቍራጽ ተጻብኦታት፡ብሰንኪ ድምር ካብ ምዕራውባውያን ሃገራት ዝመጾ ጸቕጢን፡ ሓይልታት ትግራይ ዘመዝገቡዎ ቅልጡፍ ዓወታትን ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ። ኣብ ዝሓለፈ መደባትና ኣቃሊሕናዮ ከም ዝነበርና፡ ተንታኒት እቲ ዞባን ተመራማሪት ዓውዲ ፖለቲካን ዝኾና ማሪና ኦተወይ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ በይንኣዊ ስጉምቲ ምቍራጽ ተጻብኦታት ይውሰድ እምበር፡ እዚ ግን ንሓይልታት ትግራይ ዘገድሶም ኣይኮነን ኢለን ነይረን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%8A%BD%E1%89%A5-%E1%8B%B5%E1%88%8D%E1%8B%B5%E1%88%8D-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%8B%98-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%8A%93%E1%8B%8D-%E1%88%B5%E1%8A%BD%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5951376.html"} {"headline":"መግለጺ ሚ\/ጉ\/ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ እዋናዊ ኩነታት'ታ ሃገር","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊት ሓይሊ ምክልኻሉ ካብ ክልል ትግራይ ዘውፃኣሉ ቀንዲ ምኽንያት ስግኣታት ደገ ንምክልኻል ሰራዊቱ ከዳሉ ብምሕሳብ ምዃኑ ኣፍሊጡ ። ብፍላይ ምስ ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዙ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ጣልቃ ንምእታው ዝግበሩ ምንቅስቃሳት ከምዘለዉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ`ሎ ። ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ፡ ሱዳን ብዘቅረበቶ ሕቶ መሰረት ኣብ ግዝኣት ኣብየ ኣብ ምክባር ሰላም ተዋፊሮም ዝጸንሑ ኢትዮጵያውያን ካብቲ ቦታ ክወፁ ሓቲታ`ያ: ይኹን'ምበር ዝግባእ ክብርን ኣፍልጦን ተዋሂቡዎም ክኸውን ይግባእ ክትብል ኢትዮጵያ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ምግላጻ'ውን ተዛሪቡ ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD\/5950196.html"} {"headline":"መግለጺ ወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ክልል ትግራይ","content":"ወሃቢ ቓል ሕቡራት ሃገራት ስተፈን ዱጃሪክ ኩነታት ክልል ትግራይ ኣዝዩ ከቢድን ክትግምቶ ዘይትኽእልን ምዃኑ ኣብቲ ቦታ ዘለዉ ብጾትና ይነግሩና`ለዉ ኢሉ ። ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ካብ መቐለ ካብ ዝወጽእ ንድሓር እታ ከተማ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር ህወሓት ከምዘላ፡ እቲ ኩነታት ኣብ ዓዲ ግራት፡ ዓድዋ:ኣኽሱምን ሽረን ከምኡ ምዃኑ ገሊጹ`ሎ። ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት እቲ ኩነታት ኣብ መቐለ ብሓፈሽኡ ህዱእ`ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ገለ ቦታታት`ታ ኽልል ግና ኩናት ቀጺሉ ከምዘሎ ጸብጻባት ይመጹና ኣለዉ ኢሉ ። ኤለክትሪክን ተለኮምኒኬሽንን ኣብ ምልእቲ ትግራይ ምስ ተዓጽወ`ዩ ዝበለ እቲ ወሃቢ ቃል፡ ኣብ መቐለ ኣብ ክልተ ቀጽርታት ሕቡራት ሃገራት ከምኡ`ውን ሓንቲ ኣብ ሽረ ጥራሕ ብሳታላይት ተለፎን ከምኡ ድማ ብቪሳት መራኽቢ ኢንተርነት ውሱን ርክብ ከም ዘሎ ሓቢሩ። ንሱ ኣስዒቡ ኩሎም ወገናት`ቲ ግጭት ንሲቪላት ክሕልዉን፡ ኣብ ውሽጢ`ቲ ክልል ኮነ ናብቲ ክልል ንምእታው ንሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤትን ቀረባትን ብዘይ ዕንቅፋት ናጻ መስመር ክኸፍቱን ይግባእ ኢሉ ። ተወሰኽቲ ሰራሕተኛታትን ቀረባትን ናብ ትግራይ ክኣትዉን ኣገልግሎት ኤለክትሪክን ተለፎንን ናብ ቦትኡ ክምለስ ከምኡ ኣብታ ኽልል ካሽ ገንዘብን ነዳድን ክህሉ ህጹጽነት ዝሓትት`ዩ ዝበለ ስተፈን ዱጃሪክ፡ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ምክትታልና ክንቅጽል ኢና፡ እቲ ኩናት ብቕጽበት ደው ክብልን ናብ ሰለማዊ ፍታሕ ስጉምታት ክውሰድን ዋና ጸሓፊ ዘቕረቦ ጻዊዒት ድማ ክነስምረሉ ንደሊ ኢሉ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A2-%E1%89%83%E1%88%8D-%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%8A-%E1%88%95%E1%89%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/5950183.html"} {"headline":"ኣህጉራዊ ኮሚቴ ህይወት ኣድሕን ድልድል ሩባ ተከዘ ምዕናው ገሊጹ","content":"ንናይ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ኣገዳሲ ምዃኑ ዝፍለጥ ድልድል ሩባ ተከዘ ከም ዝዓነወ ኣህጉራዊ ኮሚቴ ህይወት ኣድሕን ሓቢሩ። ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ እቲ ምዕናው ድልድል ናብታ ብኹናት ዝተሓመሰት ክልል ረድኤት ንምብጻሕ ካብ ቅድሚ ሎሚ ብዝኸፍአ ደረጃ ከም ዝሓላለኾ እቲ ትካል ረድኤት ኣፍሊጡ`ሎ። ነቲ ድልድል መን ከምዘዕነዎ ዛጊት ኣይተነጸረን። ወሃቢ ቓል ክልል ኣምሓራ ግዛቸው ሙሉነህ፡ ነቲ ድልድል መን ከምዘፍረሶ ክነጻርዮ ኢና ኢሉ`ሎ። ወሃቢ ቃል ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢትዮጵያ ኮሌነል ገትነት ኣዳነ ብወገኑ፡ ብዛዕብኡ ሓበረታ ኣለና ግን ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ክግለጽ`ዩ ምባሉ ኣሶሸይትድ ፕረስ ሓቢሩ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%85%E1%8C%89%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B4-%E1%88%85%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%8A%95-%E1%8B%B5%E1%88%8D%E1%8B%B5%E1%88%8D-%E1%88%A9%E1%89%A3-%E1%89%B0%E1%8A%A8%E1%8B%98-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%8A%93%E1%8B%8D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5950172.html"} {"headline":"ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያን ጅቡቲን ብዛዕባ ናብ ጅቡቲ ዝኣትው ፕሮጀክት ጽሩይ ዝስተ ማይ ዘትዮም","content":"ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያን ጅቡትን ብዛዕባ ናብ ጅቡቲ ዝኣቱ ጽሩይ ማይ ዘትዮም። ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያን ጅቡትን ኣብ ክልል ሶማልያ ዞባ ሲቲ ተረኺቦም: ነቲ ካብ ኢትዮጵያ ዶብ ሰጊሩ ናብ ጁብቲ ቀረብ ዝስተ ማይ ዘቕርብ ፕሮጀክት ተዓዚቦም ኣለዉ። ኣብ`ቲ ፕሮጀክት ኣለዉ ዝብሃሉ ጉድለታት ዝገምገሙ ክኾኑ ኸለዉ፡ ሰብ-ሃብቲ ጅቡቲ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ክልል ሶማልያ ወፍሪ ዝገብርሉ ዕድላት`ውን ተመያይጦም። እቲ ብቐዳማይ ሚንስትር ዓበደልቃድር ካሚል ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ጅቡቲ ምስ ምኽትል ኣመሓዳሪ ክልል ሶማልያ ኢብራሂም ዑስማን ብምዃን`ዮም ነቲ ፕሮጀክት ማይ ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም። አቶ ኢብራሒም ዑስማን ኣብቲ እዋን ክዛረብ ከሎ፡ ብመሬትን ብኣየርን: ብንግዲ: ብወደብ: ብርክባት ህዝብን ካልኦትን ጥብቕ ዝበለ ምሕዝነት ዘለወን ኢትዮጵያን ጅቡትን ብቁጠባ ናይ ምትእስሳር ዕላማታት ካብ ዘለዎ ስራሓት ሓደ እዚ ናይ ማይ ፕሮጀክት`ዩ ኢሉ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8C%85%E1%89%A1%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%9B%E1%8B%95%E1%89%A3-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8C%85%E1%89%A1%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%8D-%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%80%E1%8A%AD%E1%89%B5-%E1%8C%BD%E1%88%A9%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%88%9D\/5950150.html"} {"headline":"ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ጊዚያዊ ውጽኢት ምርጫ ኣብ 10 መዓልታት ከፍልጥ ከምዘይከአለ ሓቢሩ","content":"ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ መሰናኽላት ግዜያዊ ውጽኢት ምርጫ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት ከፍልጥ ከምዘይክኣለ ኣፍሊጡ። ሓላፊት ቦርድ ምርጫ ወ\/ት ብርቱካን ሚደቅሳ፡ ምኽንያት ምድንጓይ ቅሬታታት ፖለቲካዊ ፓርትታት ናይ መጓዓዝያ ጸገማትን ውጽኢት ናይ ምርግጋጽ መስርሕን ምዃኑ ሓቢራ`ላ። ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብልጽግና ፓርቲ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝሰዓረለን ሸሞንተ ክልላት ምርጫን፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብን ዝሰዓረሉ ሓደ ክልል ምርጫን ውጽኢቱ ወግዓዊ ምዃኑ`ውን ኣፍሊጣ`ላ። ብመሰረት ሕጊ ምርጫ፡ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት ቀዳማይ ውጽኢት ከፍልጥ እንተዘይክኢሉ፡ ብመሰረት ሕጊ ኣብ ዝቕጽላ ተወሰኽቲ 10 መዓልታት ከፍልጥ ኣለዎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%89%A6%E1%88%AD%E1%8B%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%8B%95%E1%8A%95%E1%89%95%E1%8D%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8C%8A%E1%8B%9A%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%8D%E1%8C%BD%E1%8A%A2%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-10-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%8D%8D%E1%88%8D%E1%8C%A5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8A%A8%E1%8A%A0%E1%88%88-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5950144.html"} {"headline":"ፍሉይ ልኡኽ ሕ\/ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ቫይረስኮሮና ንሕብረት ኣውሮጳ ወቒሱ","content":"ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ኮቪድ 19 ስትሪቭ ማሲዪዋ ንሕብረት ኤውሮጳ ወቒሱ:: ንሱ ኤውሮጳውያን ኣቕረብቲ ዕዳጋኹም ክፈቱልና ክታበት ክንገዝእ ዝብል መጸዋዕታ ኣቕሪቡ፡: ምስዚ ዝተሓሓዝ ኢትዮጵያን እስራኤልን ክታበት ኮቪድ19 ብሓባር ዘፍርያሉ ኣገባብ ተመያይጠን። ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ፋና፡ ሚኒስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ሊያ ታደሰን ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር እስራኤል ኣለልኝ ኣድማሱን ምኽትል ኣምባሳደር ኦር ዳኒኤልን ተራኺቦም ኣብ ዓውዲጥዕና ብሓባር ዝሰርሕሉ ኣገባባት ዘትዮም። ኣገልግሎት ዜና ፋና ኣብቲ እዋን ኢትዮጵያን እስራኤልን ክታበት ኮቪድ 19 ከፍርያሉ ዝኽእላ ህንጸት ዓቕሚን ኢንቨስትመንትን ብዝምልከት ምዝታዮም ካብ ኤምባሲ እስራኤል ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት ይብል ። . ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%8D%E1%88%89%E1%8B%AD-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%88%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8A%95%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%88%AE%E1%8C%B3-%E1%8B%88%E1%89%92%E1%88%B1\/5949964.html"} {"headline":"መግለጺ ሰበ ስልጣን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ክልል ትግራይ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብሰኑይ ኣብ ክልል ትግራይ ዝኣወጆ በይናዊ ምቁራፅ ተፃብኦ ኣመልኪቱ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ አሕመድ ንጋዜጠኛታት ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ፤መንግስቲ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ዘውፃኣሉ ምክንያት ክገልፁ ከለዉ እቶም ዘስግኡና ዝነበሩ ሚሳይላትን ካልኦት ኣፅዋራትን ኣውፂእናዮም ኢና ። ሎሚ ከም ትማሊ ዘስገኣና ነገር የለን ኢሎም ። ምስ ክረምቲ ተተሓሒዙ ቀዳምነት ዝህብዎም ተግባራት ምህላዎም'ውን ሓቢሮም ። “ንሕና ዝወሰንናዮ ሓይሊ ምክልኻል ሃገር ህዝቢ ከም ፀላኢ ቆፂሩ ፣ ኣብ ታሪኹ ፀሊም በሰላ ገዲፉ ፣ ንሱ'ውን እናተጠዓሰ ዝነብረሉ ኣብ ታሪኽ ዓለም'ውን ኣብ ኢትዮጵያ ዝለዓልሉ ኩነታት ካብ ዝፍጠር ደጀንና ናብ እንብሎ ህዝቢ ተፀጊዕና ከምቲ ዝተባህለ ነቲ ህዝቢ ናይ ፅሞና ግዜ ንሃቦ ኢልና ኢና ወሲንና ። ከምቲ ዝተባህለ ካብ 1-2 ወርሒ ኣብ ዘሎ እዋን ርግፀኛ እየ ፃዕርን ድካምን መንግስትን ሓይሊ ምክልኻልን ክንርእዮ ኢና ።ዝሓለፈ ዓመት ዘስጋኣና ዝነበረ ነገር ሎሚ ኣየስጋኣናን ምስኡ'ውን ብተወሳኺ ብፍላይ ኣብዚ ኽረምቲ እንህቦ ካልእ ጉዳይ ስለዘሎና ገንዘብና ፣ሰብናን ዕጥቅናን ቆጢብና ናብቲ ቀንዲ ውራይና ጠመተ እተንገብር ይሓይሽ ብዝብል እዩ ።” መንግስቲ ኢትዮጵያ አብዚ እዋን ኣብ ትሕቲ ሓያሎ ተጽዕኖታት ምኳኑ ዝገለጸ ቀ\/ሚ መቐለ ኣብዚ እዋን ካብ ካልኦት ከባቢታትት ኢትዮጵያ ብዝተፈለየ ምንጪ ስግኣትና ኣይኮነትን ክብሉ ተዛሪቦም ። “ትማሊ ካብ መቐለ ክንወፅእ ከለና ኩሉ ሰንቢዱ እዩ። ንስኹም 'ውን ተሰናቢድኹም ኢኩም ።ቅድሚ 7-8 ኣዋርሕ ናብ መቐለ ክንኣቱ ከለና ዝነበረ ማእከል ስሕበት ጎንፂ ማእከል መንግስቲ ፣ ማእከል ንፈልጦን ዘይንፈልጦን ሃብቲ እያ ነይራ ። ሎሚ ግን ክንወፅእ ከለና ኣብ ውሽጢ ተሰግሲጎም ዝሰርቁ ፣ዝዘርፉ 80,000 ዝፅግዑ ሰባት ካብ ምውሳኹ ወፃኢ ካብ ዓብዪ ዓዲ ፣ሸራሮን በሻሻን ዝፈልያ ነገር የለን ።ማእከል ስሕበትነታ ስኢና'ያ ። ኣብዚ እዋን ብዘሎ ኩነታት ብወታሃደራዊ ዓይኒ ክረኣይ ከሎ ከምቲ ክንከይድ ከለና ዝነበረ ዘሃንጥይ ነገር የብሉን ።” ከምኡ'ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣወጆ በይናዊ ምቁራፅ ተፃብኦን ሰራዊቱ ካብ ክልል ትግራይ ከምዘውፀኦን ዝምልከት ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳዶር ሬድዋን ሑሴንን ኣብ ሓይሊ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣተሓባባሪ ህንፀት ሰራዊት ሌተናል ጀነራል ባጫ ደበሌ ሎሚ መብርሂ ሂቦም ። እቲ ንከባቢ ሸሞንተ ኣዋርሕ ክካየድ ዝፀንሐ ጎንፂ ህይወት ብዙሓትን ብርክት ዝበለ ንብረት ከምዘዕነወ ዝገለፁ ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ከምሃገር ንርእሳ እትከላኸለሉ ዝነበራ ዓቅሚ ብዝለዓለ ኩነታት ዝሃሰየ ሸሞንተ ምኳኑ ገሊፆም ። ኣብ ፅባሕ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተከፍተ ኲናት ሱዳን'ውን ብኸባቢ ምዕራብ ኢትዮጵያ ወራር ምፍፃማ ብምጥቃስ እዚ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ንወረርቲ ደገ ከምዘቃልዓ'ውን ተዛሪቦም ። ከምኡ'ውን እናተጋደደ ዝመፀ ዓለምለኸ ተጽዕኖ ንሓረስታይ እቲ ኽልል'ውን ኣብ ግምት ብምእታው ስራሕቱ ዝውግነሉ ዕድል ንምፍጣር ተባሂሉ መንግስቲ በይናዊ ምቁራፅ ተፃብኦ ገይሩ ሰራዊቱ ካብቲ ክልል ክወፅእ ክውስን ከምዝገበርዎ ገሊፆም ። ዋላ'ኳ ህወሓት ኣብ ኲናት ብዝተረክበ ዓወት ንመቀለ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ትግራይ ምቁፅፃሩ እንተገለፀ ኣምባሳደር ሬድዋን ግን ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብቲ ክልል ዝወፀ ብዝተዋህቦ ፖለቲካዊ ውሳነ ምኳኑ እዮም ዝገልፁ ። ብምኳኑ'ውን ንቀፃሊ ኣብታ ክልል ንዝፍጠር ፀገም መንግስቲ ምኽንያት ንኸይኸውን ክብል ኣብዚ ውሳነ ምብፅሑ ኣብሪሆም ። “እቲ ውሳነ ፖለቲካዊ ውሳነ እዩ ። ሓደ ሰበብ ንዘይምዃን እዩ ፤ ብካልእ መዳይ ይመፀና ዘሎ ነባራዊ ሓደጋ ብኣንፈት ምዕራብ ዝተዳለወልና ዕድመ ኣሎ ክንፃወር እንተኾይና ሰራዊትናን ሓይልናን ኣኪብና እቲ ዝዓበየ ሓደጋ ምምካት ቀንዲ ስራሕና ክኸውን ይግባእ። ሃገራዊ ፃውዒት ምዃኑ ስለዘይተርፍ ።ብኻልእ ወገን እናብላዕና እናስተና ሰበብ እንኾነሉ ፣ተወቀስቲ እንኾነሉ ምክንያት ተሪፉ ረዲኤት ክባፃሕሉ ዝኽእለሉ መንገዲ ምፍጣር ፤ ክሕግዝ ነይረ ግን ዕድል ኣይረኸብኩን ንዝብሉ ናብ ውሽጢ ኣትዮም ቃለ መሕተት ኣካይዶም ፎቶ ተሳኢሎም ክምለሱ ዕድል ዘይሰኣኑ ንሓገዝ ግን መገዲ ንዝሰኣኑ ብግልፂ ሰበብ ንዘይምኳን ገዲፍና ምውፃእና ፖለቲካዊ ውሳነ እዩ ። መበገሲኡ ሰብኣውነት እዩ ። እቲ እዋን አዝመራ ስጋብ ዝሓልፍ ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቃስ ኣይህሉን ።\" “መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ከተግብሮም ዝተሓበርዎ ገይሩ ኣሎ\" ዝበሉ ኣምባሳደር ሬድዋን ካብ ሕጂ ንደሓር ኣብቲ ክልል ንዝፍጠር ዝኮነ ዓይነት ፀገም ዝሕተት ህወሓት እዩ ኢሎም ። “ዘይተወሰነ ተበፃሕነት ክህሉ ይግባእ ፣ ረዲኤት ከነብፅሕ ንደሊ ኢና ንዝብሉ ወፄእና ኣሎና ክሕግዙ ይክእሉ እዮም ። ተኹሲ ጠጠው ኣብሉ ዝብሉ ዝነበሩ ድሕሪ ምውፃእና ሳልሳይ መዓልቲ 'ውን ከይተረፈ ዝብሉ ዝነበሩ ጠጠው ኣቢልና ኣሎና ሰራዊትና 'ውን ወፂኡ ኣሎ ። ስለዝኾነ ካብ ሕጂ ንደሓር ተኹሲ እንተሃልዩ ፣ ቅትለት እንተተፈፂሙ ከምቲ ንሰምዖ ዘለና ምስ መንግስቲ ሓቢርኩም ነይርኩም ተባሂሉ ሰባት ይቅተሉ ምህላዎም ንሰምዕ ኣለና። በዚ መገዲ ተሓታትይ ዝኸውን እቲ ኣሸባሪ ተባሂሉ ዝተረቑሐ ኣካል እዩ ዝኸውን ። ዓለም ኣብዚ እዋን ንኢትዮጵያ ምምራር ዘይኮነስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግበር ዝተባህሎ ገይሩ ኣሎ ኢዱ ኣኪቡ ኣሎ ሰራዊቱ'ውን ኣኪቡ ኣሎ ። ነቲ ዝምልከቶ ተሓታታይ ምግባር ክለምድ ይግባእ ።” ሰራዊት ኤርትራ'ውን ጠቅሊሉ ምውፅኡ ዝጠቀሱ ኣምባሳደር ሬድዋን ይኹን እምበር ህወሓት ተመሊሱ ንኽመፅእ ይዕድሞ ምህላዉ ብምግላፅ ማሕበረስብ ዓለም ካብዚ ተግባሩ ንኽእርነብ ከጠንቅቅዎ ፃውዒት ኣቅሪቦም ። “ኤርትራ ክትወፅእ ኣለዋ ይበሃል ነይሩ ። መንግስቲ'ውን ደጋጊሙ ከምዘየድልይዎ ገሊፁ ነይሩ ። ሕጂ'ውን ብግልፂ ወፂኦም ኣለዉ ። ምውፅኦም ዘረጋገፀ ሓይሊ'ውን ክኽተለኩም እየ እዩ ዝብል ዘሎ ። ይውፁኡለይ ዘይኮነስ ስጋብ ኤርትራ ክክተለኩም እየ እዩ ዝብል ዘሎ ። ስለዝኾነ ሕጂ'ውን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ገዝኦም ተመሊሶም ክመፁ እዮም ዝዕደሙ ዘለዉ ። ዓንተዉኡ'ውን መንግስቲ ከምዚ ዓይነት ሕምስምስ ንምትራፍ ኢሉ እዩ እዚ ውሳነ ዝወሰነ ። ብምኳኑ ንዝተረፈ ኲናት ከቀፅል እየ ንዝብል ሓይሊ ዓለም ዓገብ ክብሎ ይግባእ።“ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሰሙን ኣቢላ ሰራዊታ ካብ ትግራይ ከምተውፅእ ንገለ ገለ ኣካላት ወጻኢ ኣፍሊጣ ብምንባራ ካብኣቶም ሓበሬታ ዝረከበ ህወሓት'ውን ኣብ ሰራዊቶም መጥቓዕቲ ክፍፅም ምፍታኑ ገሊፆም ። ምስዚ ተተሓሒዙ ሓደ ሓደ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ንህወሓት ዘዕጥቁ ምንባሮም ዝገለፁ ኣምባሳደር ሬድዋን ኣብዚ እዋን ናብ ትግራይ ዝኸይድ ኣቁሑ ልዑል ቁፅፅር ከምዝግበረሉ ተዛሪቦም ። ህወሓት ኣብ ደባይ ውግእ ህዝቢ ትግራይ ምስ ሓይሊ ምክልኻል ናይ ምግጫው ተግባራት ምፍፃሙ ዝገለፁ ድማ ሌተናል ጄኔራል ባጫ ደብውሌ እዮም ።እዚ ጠጠው ንምባል ዝተወሰነ ፖለቲካዊ ስጉምቲ ከምዝድግፉ 'ውን ገሊፆም ። ህወሓት ብዝለዓለ ኩነታት ሓይሉ ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበሩ ሓይልታት ምክልካል ኢትዮጵያ ስዒሩ ግዝኣቱ ምቁፅፃሩ እንተገለፀ 'ውን ፣ ሌተናል ጄነራል ባጫ ግና ሰራዊት ንዝያዳ ዘስግእ ሓደጋ እታ ሃገር ንምክልኻል ክብል ካብታ ክልል ምውፅኡ 'ዮም ዝሕብሩ ። ንሶም ወሲኾም ኣብዚ እዋን ህወሓት ስግኣት እዛ ሃገር ኣይኮነንን ይብሉ። “ግብረ ሽበራዊ ጉጅለ ህወሓት ትርጉም ዘለዎን ን ኢትዮጵያ ከስግእ ካብ ዝኽእል ደረጃ ወሪዱ እዩ።ስለዝኾነ ንሕና ካብ ትግራይ ወጺእና ነቲ ንሓስቦ ስግአት ምድላውና ኣድላይን ግዴታን 'ውን እዩ ። ካብ ትግራይ ተሳዒሩ እዩ ወፂኡ ንዝብል መንስዒሩዎ ንሕና ካብ መቀለ ክንወፅእ ከለና ብኣሻሕት ዝቁፀር ኮንቮይ ሒዝና ብፀሓይ ቀትሪ እዩ ። ሓይሊ እንተዝህልዎም ድኣ ንኸይንወፅእ ምክልካል ምኸኣሉ ነይሮም ። ሓይሊ ግን የብሎምን ።” ከምኡ'ውን ንሶም “ኣሸባሪ” ክብሉ ዝፅውዑዎ ህወሓት ኣብከባቢታት ሑመራን ራያን ክንቀሳቀስ እየ ዝብል ሓሳብ እንተሃልዩዎ ተዓፃፃፋይ ስጉምቲ ክውሰዶ ኣጠንቂቆም። “ሕጂ ከምቲ ንሰምዖ ዘለና ናብ ምብራቅ ምዕራብ ክኸይድ እየ ዝበሃል ነገር ኣሎ ።ናብ ማእከል ሃገር ፣ሑመራ፣ዓፋርን ኤርትራን ሓይሊ ዋላ እንተዘይሃለዎ ግብረሽበራውያን ዝገብርዎ ስለዝኾነ ሰራዊትና ኣብኡ ዘይበፅሕሉ ኩነታት ንኽከውን ገይርና ኢና ። ምትንዃስ ዝፍትን እንተኾይኑ ግን ተመሊስና ሎሎሚ'ውን መቀለ ምእታው እኮ ንኽእል ኢና ስለዝኾነ ነቲ ዝፍትንዎ ፈተነ ድርብ ዕፅፊ እዩ ዝኸውን ምላሽና ።” ህወሓት ብወገኑ ከም ኣድላይነቱ ስጉምትታት ከምዝወስድ ምግላፁ ዝዝከር እዩ ። ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ “ሕድሕድ መሬት ትግራይ ካብ ፀላእትና ነጻ ስጋብ ዝወጽእ ሰራዊትና ናብ ደቡብን ምብራቅን ከባቢታት ክቅፅሉ እዮም።\" ክብሉ ንሮይተርስ ምዝርራቦም ዝፍለጥ'ዩ ።ትግራይ ንምድሓን ዝግበር ኩሉ ክንገብር ኢና ፣ኣድላይ እንተኾይኑ'ውን አዲስ አበባን ኣስመራን'ውን ክንበፅሕ ኢና ክብሉ 'ውን ገሊፆም እዮም ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኢትዮጵያ በይናዊ ምቁራፅ ተፃብኦ ምውሳና ነቲ ጎንፂ ጠጠው ዘብሎ እንተኾይኑ ሰናይ ውሳነ እዩ ዝበለት ኣሜሪካ ኩሎም ወገናት ተዛትዮም ምቁራፅ ተፃብኦ ንኽእውጁ'ውን ፃውዒት ኣቅሪባ ። ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን 'ውን ነቲ ወሳነ በይናዊ ምቁራፅ ተፃብኦ ኢትዮጵያ ንኢዶም ። ነቲ ዘሎ ፀገም ፖለቲካዊ ፍታሕ ከናድይሉ ሓቲቶም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/5949926.html"} {"headline":"ሕ\/ሃገራት ኣብ ትግራይ ሓደጋታት ጥዕና የንጸላለው ከምዘሎ የጠንቅቕ","content":"ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ ከጓንፍ ንዝኽእል ለበዳ ሸሮኽ (ኮሌራ)፡ ምልባዕ ሕማማት ዓሶን ንፍዮን ኣጠንቂቐን። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ሸሞንተ ኣዋርሕ፡ በይንኣዊ ስጕምቲ ምቍራጽ ተጻብኦታት ደኣ ይኣውጅ እምበር ኣብ ባይታ ዘሎ ጸገማት’ሲ ብዙሕ’ዩ። ወኪል ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ፡ ንመሳለጢ ቤት ጽሕፈት ዝኸውን መስመራት ቴለፎን ይዅን ሓይሊ ኤለትሪክ የብሉን። ስለዚ እምበኣር፡ ነቲ ዝድለ ሓገዝ ኣብ እዋኑ ከብጽሑ ኣይክእሉን ዘለዉ። ትካል ድሕነት ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) እውን፡ ወተሃደራት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣብ ትግራይ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ኣዕንዮም መሳርሒታት ከም ዝዘመቱ ገሊጹ ነይሩ። ብሰንኩ ድማ ኣስታት 140 ሽሕ ዝበጽሑ ህጻናት ትግራይ ንዝኸፍአ ቅልውላው ዓጸቦ ተቓሊዖም ኣለዉ። ማዕከን መግቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ናብ ትግራይ ቅልጡፍ ናይ ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ከባጽሕ ደጋጊሙ ክሓትት ጸኒሑ’ዩ። ካብ መንጎ’ቶም ህጹጽ ሓገዝ ዝጽበዩ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት፡ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ህጻናት’ዮም። ልዕሊ ኵሉ ስፍክትኡ ዝገልፅ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ግን ዓለማዊ ውድብ ጥዕና’ዮ። ትካላትን መዋቕርን ጥዕና ትግራይ ፈጺሙ ስለ ዝዓነወን መስመራት ስለ ዝተዓጽወን ኣብ እዋን ሓደጋ ሓገዝ ንምብጻሕ ከም ዘይክኣል እቲ ትካል የመልክት ኣሎ። ወሃብ ቃል ውድብ ጥዕና ዓለም ዝኾኑ ታሪቅ ጀሰራቪክ “ቀንዲ ስክፍታና ከጓንፍ ንዝኽእል ለበዳ ሸሮኽ፡ ንፍዮን ዓሶን’ዩ። ክልል ትግራይ፡ ኣብ ቅናት ማናንጃይትን የሎው ፊቨርን ዝርከብሉ ስፍራ ስለ ዘላ ከኣ ካልእ ስክፍታ’ዩ። ህዝቢ ግን ብዓቢኡ ነቲ መሰረታዊ ቀረባት ጥዕና’ውን ክረክብ ስለ ዝጽገም ዘሎ ንሓደጋ ሞት ቅሉዕ’ዩ ዘሎ” ኢሎም። ድሕሪ ምእዋጅ በይንኣዊ ምቍራጽ ተጻብኦታት፡ ኲናት ይቕጽል’ሎ ዝበሉ’ቶም ወሃቢ ቃል: ትካል ውድብ ጥዕና ዓለም ዓቕሚን ድሕነትን ኣባላቱ ንምሕያል ይሰርሕ ከም ዘሎ ገሊጾም። እቲ ትካል ዝከኣሎ ክገብር ደኣ ቅርቡነቱ የርጋግጽ እምበር፡መጠን’ቲ ዘንጸላሉ ዘሎ ሓደጋ ግን ልዕሊ ዓቕሚ ውድብ ጥዕና ዓለም ምዃኑ'ውን ጠቒሶም። “ሆስፒታላት በቲ ዝነኣሰን ዓቕመን እኳ ኣብ ዘይሰርሓሉ ግዜ፡ ህዝቢ ካብ መነባብርኡ ተመዛቢሉ ፡ ጥሜት ድማ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ብቐረባ ምክልኻሎም ዝከኣሉ ዝነበሩ ተመሓለልፍቲ ሕማምት እኳ ንምውጋዶም ኣጸጋሚ’ዩ። ሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት፡ ስእነት ዝስተ ጽሩይ ማይ፡ ዋሕዲ መዕቆቢ ንርኢ ኣሎና። እዚኣቶም ድማ ንለበዳ ዘኽእሉ ባእታት’ዮም” ኢሎም። ውድብ ጥዕና ዓለም ኣስታት 3.5 ሚልዮን ዜጋትት ሓደጋትት ሕማም ሸሮኽ የንጸላልዎም ከም ዘሎ ይጠቅስ። እቲ ትካል ብቐንዱ እኳ ብዓጸቦ ዝተጠቕዑ ህጻናት ዝርከቡዎም ኣስታት 6 ሚልዮን ዜጋትት ድማ ንለበዳ ዓሶ ቅሉዓት ኣለዉ ይብል ። ብኣፍ ዝወሰድ፡ ክታበት ኣንጻር ሸሮኽ፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሰነ ደኣ ይጀምር እምበር፡ ኣስታት ፍርቂ ናይቲ ክበጽሖ ዝሓለኖ ብዝሒ ጥራይ’ዩ በጺሑ። ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት እቲ ናይ ክታበት መደባቱ ከም ዝተዓናቐፈ ድማ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ። ኣብ ትካላት ጥዕና ዝወርድ ዘሎ ዕንወት፡ ንማእከላት ጥዕና ዒላማ ዝገበረ ዝምታ፡ ምዕናው መዕቆቢ መድሃኒታት ገለ ካብቶም ነቲ ናይ ክታበት ስራሕ ዝዓናቑፉ ምንባሮም ድማ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ዘርዚሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8B%A8%E1%8A%95%E1%8C%B8%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8B%A8%E1%8C%A0%E1%8A%95%E1%89%85%E1%89%95\/5949685.html"} {"headline":"መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኢትዮጵያ","content":"ቤት ጽሕፈት ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይስ ዝሃቦ መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ በይንኣዊ ውሳነ ምቍራጽ ተጻብኦታት:ዝድገፍ ምዕባለ ኰይኑኣብ ባይታ ድማ ነቲ ክካየድ ዝጸንሐ ግጭት ከዝሕል፣ ክወርድ ንዝጸንሐ ቅትለታትን ሰብኣዊ ግፍዕታትን ክወግድ ዝኽእል፣ ብቐንዱ ድማ ንዝሕተት ሰብኣዊ ሓገዝ ማዕጾ ዝኸፍትን’ዩ። ኣብ ባይታ ዝከይድ ዘሎ ምዕባለታት ብቐረባ ንከታተሎ ኣሎና። በዚ ኣጋጣሚ ድማ ነቶም ኵላቶም ተቐናቐንቲ ሓይልታት፡ ብቕልጡፍ ኣብ መኣዲ ዘተ ቀሪቦም፡ ኲናት ዘወግዱሉ ውሕስነት ሰላም ትግራይ ዘረጋግጹሉን ሉኣላውነትንን ሓድነትን ኢትዮጵያ ዘውሑስሉን መገዲ ከናድዩ ንጽውዕ። ሕጂ’ውን ንዅላቶም ኣብዚ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ሓይልታት ብኣህጉራዊ ውዕላት ተቐዪዶም፡ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ንሰላማዊ ህዝቢ ከፍቅዱ፡ ሰብኣዊ መሰላት ከኽብሩን ንጽውዕ። ሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ብዘይ ቅድመ-ኵነት ክወጽእን ምውጻኡ ድማ ብናጻ ኣካል ክረጋገጽን ንጠልብ። እዚ ድማ ቀንዲን ወሳኒን ንነባሪ ሰላም ኣብ ኢትዮጵያ ምዃኑን ንኣምን። ሕጂ ልዕሊ ኵሉ እንሰርዖ ኣብ ባይታ ዘሎ ዘሰክፍ ሰብኣዊ ኵነታት’ዩ። ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ድማ መንግስቲ ኣሜሪካ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰበ ስልጣን ትግራይ: ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣህጉራውያን ትካላትን ቅልጡፍ ናይ መግቢ ሓገዝ ነቶም ኣስታት 900 ሽሕ ብጥሜት ተጠቒዑ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ሓዊሱ ክተሓባበር ምዃኑ ድልውነቱ የረጋግጽ።ስለዚ ድማ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብቕልጡፍመስመራት መራኸቢታት ቴሌፎን ትግራይ ክመለስን ዘይተገደበ ናይ ምንቅስቓስ ፍቓድ ክህብ፣ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝህባ ትካላት ድማ ውሕስነት ጸጥታ ከረጋግጽን ንጽውዕ። ሰነ 29,2021","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%89%A0%E1%8B%AD%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%89%8D%E1%88%AB%E1%8C%BD-%E1%89%B0%E1%8C%BB%E1%89%A5%E1%8A%A6%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/5949675.html"} {"headline":"ትንተና: ንበይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ስዒቡ ክመጽእ ዝኽእል ምዕባለታት","content":"ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኹናት ክልል ትግራይ ኣመልኪቱ በይናዊ ስጕምቲ ምቍራጽ ተጻብኦታት ምውሳዱ ዝዝከር’ዩ። ረድዮ ድምጺ ኣመሪካ ንተኽእሎታትን ስዒቡ ክመጽእ ዝኽእል ምዕባለታትን ኣመልኪታ ምስ ተንተንቲ ፖለቲካ እቲከባቢ ቃለ-ምልልስ ገይራ ኣላ። ትርጕም ናይቲ ተንታኒት ፖለቲካ ኣብ ማእከል ዊልሰን ዝኾና ማርና ኦትወይ ከምኡ’ውንተወላዲ ኬንያን ነባሪ ከናዳን ዝኾነ ኣሚን ምዊዳው ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B5%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%8A%93-%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%8B%AD%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%89%81%E1%88%AB%E1%8C%BD-%E1%89%B0%E1%8C%BB%E1%89%A5%E1%8A%A6-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%8B%92%E1%89%A1-%E1%8A%AD%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%8A%A5-%E1%8B%9D%E1%8A%BD%E1%8A%A5%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%89%A3%E1%88%88%E1%89%B3%E1%89%B5\/5948733.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሎሚ ንደሓር ኣብ ክልል ትግራይ ዘጋጥም ሽግር ሓላፍነት ከምዘይወስድ ኣፍሊጡ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሎሚ ንድሓር ኣብ ክልል ትግራይ ንዝፍጠር ሽግር ሓላፍነት ከምዘይወስድ ኣፍሊጡ:: ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፡ መንግስቲ ንሰራዊቱ ካብ ትግራይ ዘውጽኣሉ ምኽንያት ክገልጽ ከሎ፡ ሚሳይላትን ካልኦት መሳርሕታትን ኣውጺእናዮ ኢና- ዘስግኣና ነገር የለን፡ ኣብዚ ከረምቲ`ዚ ቀዳምነት ዝወሃቦ ተግባራት ኣለዉና ፡ድሕሪ ምባል፡. ኣብ ቀጻሊ ኣብቲ ክልል ብዛዕባ ዝፍጠር ጉዳያት ተሓታቲ ሕወሓት ምዃኑ ኣፍሊጡ`ሎ። ህወሓት ብወገኑ፡ ከም ኣድላይነቱ ናይ ምጥቃዕ ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣፍሊጡ`ሎ። ብኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዝተጠቕሰ ወሃቢ-ቓሉ ጌታቸው ረዳ፡ ነብስወከፍ ኢንች ግዝኣት ትግራይ ካብ ጸላኢ ክሳብ ዝጸሪ ሓይልታትና ናብ ደቡብን ምብራቕን ይዘምቱ`ለዉ ኢሉ። ንትግራይ ንምድሓን፡ ናብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባ ምቕጻል ኣድላይ እንተኾይኑ`ውን ክንገብሮ ኢና ኢሉ።፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ህወሓት ንሑመራን ራያን ወሲኽካ ብዝኾነ ኣንፈት ናይ ምንቅስቓስ ድልየት ኣለዎ እንተኾይኑ፡ ዝከፍአ ግብረ መልሲ ከምዝጽበዮ ኣፍሊጡ`ሎ። ምኽትል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ረድዋን ሑሴን ብወገኑ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ምውጽኡ ድሕሪ ምሕባር፡ ይኹን`ምበር ተመሊሱ ንኽመጽእ ህወሓት ይጋብዞ`ሎ-ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ድማ ነዚ ድልየት`ዚ ደው ከብሎ ይግባእ ኢሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብ ናይ ጽባሕ ፈነወ ተኸታተሉ::","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%88%93%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A5%E1%88%9D-%E1%88%BD%E1%8C%8D%E1%88%AD-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%88%B5%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5948540.html"} {"headline":"አባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ምቁራጽ ተጻብኦ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግዚያዊ'ዩ ይብሉ","content":"ሰራዊት ህወሓት ኣብ’ዚ ቅነ’ዚ ንመቐለ ድሕሪ ምቁጽጻሮም፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ዝጸንሓ ውግእ ስዒቡ በይናዊ ምቁራጽ ተኹሲ ተግቢረ ኣለኹ ከምዝበለ ዝዝከር እዩ። ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ግና \"እቲ ኣዋጅ ምቁራጽ ተኹሲ ጊዚያዊ እዩ፣ ኣብ’ቲ ክልል ኣብ ልዕሊ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ንዘንጸላለወ ሓደጋ ጥምየት ንምክልኻል ሓጋዚ ኣይኮነን\" ኢሎም የጠንቅቁ ኣለው። ኣብ መንጎ ወትሃደራት ኢትዮጵያን ሰራዊት ህወሓትን ንሸሞንተ ኣዋርሕ ዝጸንሓ ውግእ ንከብቅዕ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ከምዝኣወጀ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣዊጁ እዩ። ታሕጓስ ኣብ ጎደናታት መቀለ ተራእዮም እዮም። ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ግና ‘ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ \"መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝጀመሮ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ጊዚያዊ እዩ\" በሃልቲ እዮም። ኣባል ቤት ምኽሪ ግሪጎርይ ሚክ፣ \"እቲ ተስፋ ዝገብሮ፣ እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ናብ ሰላማዊ ፍታሕ ከብጽሕ እዩ ዝብል እዩ። እንተኾነ፣ ህወሓት ክሳብ ኤርትራ ክንግስግስ ንኽእል ኢና ከምዝበሉ ሰሚዔ ኣለኹ። እዚ ማለት፣ እቲ ግጭት ሓደገኛ ማእዝን ይሕዝ ከምዘሎ ንጹር ምልክት እዩ።\" ዝሓለፈ ቅነ ኣብ ዕዳጋ ቶጎጋ ክልል ትግራይ ደብዳብ ነፈርቲ ተፈጺሙ ልዕሊ 60 ሰባት ድሕሪ ምቅታሉ ውግእ ገዲድዎ ነይሩ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ግፍዒ ፈጺሞም፣ ጾታዊ ምግሳስ፣ ረድኤት እኽሊ ንከይሓልፍ ከልኪሎምን ንመጠነ ሰፊሕ ጥምየት ኣቃሊዖምን ኢሎም ተጋሩ ንወትሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ይኸሱ። ኣባል ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ሚካኤል ማኩል ብወገኖም ከምዚ ይብሉ፣ \"ገበን ኩናት፣ ገበን ኣንጻር ሰብኣዊነት፣ ተግባራት ምጽናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተፈጺሙ እዩ። ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ዝሓለፈ ቅነ ‘ኣብ ትግራይ ጥምየት የለን’ ኢሉ’ዩ። እዚ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ኣሰንባዲ ጥፍኣት ምክሓድ እዩ።\" ብመሰረት ትካል ረድኤት ስግር ባሕሪ ኣሜሪካ (USAID)፣ ካብ ሽዱሽተ ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ እቶም 4.5 ሚልዮን ንህጹጽ ሓገዝ ዝተቃለዐ ክኸውንከሎ ኣስታት 900 ሽሕ ህዝቢ ትግራይ ድማ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝርከቡ እዮም። በዓልቲ ስልጣን ትካል ረድኤት ስግር ባሕሪ ኣሜሪካ ሳራ ቻርለስ ኣብ ቅድሚ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ቀሪባ ምስክርነታ ክትህብ ከላ፣ \"ብሕልፊ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸም ጾታዊ ምግሳስ ቆጺርካ ዝውዳእ ኣይኮነን\" በለት:: \"ገበነኛታት ንኣንስቲ ኣቅሽሽቲ ደፊሮም፣ ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቅድሚ ቤተሰበን ተጋሲሶምወን፣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ከቢድ ጭካኔ ዝተሓወሶ ዓመጽ ፈጺሞም እዮም። ቅድሚ ሎሚ ብግልጺ ከምዝበልክዎ፣ ርዝነት እቲ ዝተፈጸመ መግሃስቲ፣ ኣብ ኣስታት ዕስራ ዓመታት ዘበን ሰብኣዊ ኣገልግሎተይ ሪኤዮን ሰሚዔዮን ዘይፈልጥ ግፍዒ እዩ።\" መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ክሳብ እዋን ማሕረስ ዝውዳኣሉ መስከረም ዝጽንሕ እዩ ይብል። እዚ እዋን’ዚ፣ ኣሜሪካን ማሕበረሰብ ዓለምን ዕድል ዝረኽብሉ ጊዜ ክኸውን እዩ። ካብ ኣትላንቲክ ካውንስል ካሜሩን ሃድሰን ከምዚ ይብል፣ \"ኣብ እዋን ምቁራጽ ተጻብኦ እቲ ቀዲሙ ዝስራዕ፣ ናብ ህዝቢ ንምብጻሕን ኣንጸላልዩ ንዘሎ ሓደጋ ጥምየት ካብ ልዕሊ ኣስታት ሚልዮን ህዝቢ ንምቅንጣጥ ምስራሕ እዩ። እዚ እቲ ፈላማይ ዕዮ እዩ። ከምዝመስለኒ፣ እቲ ካልኣይ ዕዮ፣ ነቲ ምቁራጽ ተጻብኦ ዓቂብካን ትካላዊ ገይርካን፣ ፖለቲካዊ ልዝብ ንክሳለጥ ባይታ ንምጥጣሕ ምጥቃም ክኸውን ኣለዎ ዝብል እዩ።\" ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ እንተኾኑ፣ እቲ ዝተጠቀሰ ፖለቲካዊ ባይታ ክፍጠር እንተዘይኪኢሉ ዘኽፍሎ ዋጋ ክቡር ከምዝኾኑ እዮም ይዛረቡ። ግሪጎርይ ሚክስ፣ ንሮበርት ጎደክ ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያትወጻኢ ኣሜሪካ ዘቅረብዎ ሕቶን ዝረኸብዎ መልሲን እዚ ይመስል:: \"እቶም ተዋጋእቲ ወገናት፣ ነዚ ሓድሽ ምዕራፍ’ዚ ከም ኣጋጣሚ ተጠቂሞም ናብ ዝተናወሐን ውግእ ሕድ ሕድን ንምእታው ድዮም ዝፍትኑ ዘለው?\" ሮበርት ጎደክ ዝሃብዎ መልሲ፣ \"እቲ ንሕና ንደልዮ፣ ኩሎም ወገናት ዝኣምንሉን ዝተቀበልዎን ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦ እዩ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ግና፣ ህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን ንምቁራጽ ተጻብኦ ድልዋት እንተኾይኖም ዝረኸብናዮ መረጋገጺ ዛጊት የለን። \" ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፣ ነቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ዝባሃል ግፍዒ ይከታተሎ ከምዘሎን ኣብ ትሕቲ ገበን ኩናት ዝካተት እንተኾይኑ ይምርምሮም ከምዘሎ እቲ ሪፖርት ጠቂሱ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%88%9D%E1%89%81%E1%88%AB%E1%8C%BD-%E1%89%B0%E1%8C%BB%E1%89%A5%E1%8A%A6-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8C%8D%E1%8B%9A%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%A9-%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%89\/5948418.html"} {"headline":"ዓለም ካብ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተአወጀ ተኹሲ ደው ምባል ንጹርነት ይጽበይ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ክልል ትግራይ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ዘካየዶ ወተሃድራዊ ወፍሪ ሃንደበት ጠጠው ድሕሪ ምባሉ፡ ምስ`ታ ክልል ርክባት ምግባር ኣጸጋሚ ኮይኑ`ሎ። በቲ ሓደ ወገን እቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ፡ ነቶም ጥምየት ኣንጸላልዩዎም ዘሎ ኣማኢት ኣሸሓት ሰባት ረድኤት ብዘይ ዕንቅፋት ክበጽሖም ዝብል ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ተስፋ ጌረን ኔረን`የን። ወሃቢ ቓል ሕቡራት ሃገራት ስተፈን ዱጃሪክ፡ ሳዕቤን ህጹጽ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ንጹር ኣይኮነን ይብል:: ንሱ ኣስዒቡ እቲ ምዕዳል ረድኤት ሽሕ`ኳ ብሰንኪ ኩናት ክተዓናቐፍ እንተጸንሐ ንጸጥታ ኣብ ግምት ብምእታው ክንቅጽሎ መደብ ኔሩ`ዩ ይብል። ምስ ናይ ጸጥታ ብጾትናን ክኢላታት ሎጂስቲክስ ብምምኽኻር ናብ ትግራይ ቀረባት ዝኣትወሉ መሕለፊታት ንድሊ ኣለና ዝበለ ዱጃሪክ፡ ሕጂ ግን ብመሬትን ኣብ ርእሰ-ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ዘሎ መዓርፎ ነፈርትን ተዓጽዩ`ዩ ዘሎ ኢሉ። ኣህጉራዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል`ውን ካብ መቐለ ወጻኢ ዘሎ ምቅስቓሳቱ ንግዚኡ ደሪቱ፡ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ይከታተሎ ከምዘሎ ኣፍሊጡ`ሎ። ምስ`ቶም ኣብ ባይታ ዘለዉ ኣባላት ኣይሲኣርሲ ርክብ ከምዘለዋ ትገልጽ ዞባዊ ወሃቢት ቃል ኣልዮና ሲነንኮ ካብ ናይሮቢ ኣብቲ ኽልል ዘሎ ኩነታት ተኣፋፊ`ዩ- መቐለ ግን ርግኣት ዘለዋ ትመስል ትብል ። ኣስዒባ\"ኣብ መቐለ ድኳናት ተኽፊቶም ይርኣዩ እንተኾነ ናይ ኮሚኒኬሽን መርበባት ኮነ ኢንተርነት ዕጹው`ዩ\" ዘሎ ትብል ። ኣስታት 350 ሺሕ ተጋሩ ናብ ጥምየት ገጾም ይጽግዑ ከምዘለዉ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። በዓልቲ ስልጣን ዩኤስኣይዲ ሳራ ቻርለስ ድማ ንኮንግረስ ቃለ-ምስክርነት ክትህብ ከላ ነቲ ቁጽሪ ናብ ሓደ ሚልየን ተጸግዖ። ካብ መንጎ ኣብ ትግራይ ዝነብሩ ሽዱሽተ ሚልየን፡ ካብ 3.5 ክሳብ 4.5 ሚልየን ዝኾኑ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ዘድልዮም`ዩ ዝበለት ሳራ ቻርለስ ካብ መንግኦም ካብ 700 ሺሕ ክሳብ 900 ሺሕ ዝኾኑ ድሮ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣለዉ- ምዕዳል ረድኤት እንተዘየሐይልና፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት`ዚ ሰፊሕ ጥምየት ክንርኢ ንኽእል ኢና ኢላ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-v-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%A0%E1%8B%88%E1%8C%80-%E1%89%B0%E1%8A%B9%E1%88%B2-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%8A%95%E1%8C%B9%E1%88%AD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8C%BD%E1%89%A0%E1%8B%AD\/5948534.html"} {"headline":"ንኩነታት ትግራይ ዝምልከት ቃለ መጠይቕ ምስ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ አዲስ አበባ ኣብ ጉዳይ ክልል ትግራይ","content":"ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝቀረበሉ ሕቶ ሰሚዑ መንግስቲ ኢትዮጵያ በይናዊ ብዘይ ገለ ቅድመ ኩነት ምቁራፅ ተፃብኦ ምግባሩ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ንምንጭታት ሓበሬታ ኢትዮጵያ ጠቂሶም ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ዓለም ምጽብጻቦም ዝፍለጥ እዩ ። ሓይልታት ህወሓት መቐለ ምእታዎም ንሮይተርስን ድምፂ ወያነን ጠቂሶም ዝሓበሩ ፀብፃባት 'ውን ነይሮም ።ነዞም ኩሎም ሪፖርትታት ብምርኣይ ኣብቲ ባይታ ዘሎ ሓቂ ብግልፂ ንምርዳእ ካብ ኩሎም ወገናት ንዝተዋህበ ምላሽ ንምድህሳስ ምስ ሪፖርተር ድምጺ ኣሜሪካ ካብ አዲስ አበባ እስክንድር ፍሬው ዝተኻየደ ቃለ ምልልስ ነዚ ይመስል ። ካብ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ዝወፁ ብዙሓት ሓበሬታታት ኣለዉ ካብቲ ቀንዲ ማዕከል እቲ ኩነት ግና ዝተቆራረፁ ሓበሬታታት ኢና ንሰምዕ ዘለና እሞ ብመዳይ መንግስቲ ካብ ዝተኣወጀ በይናዊ ምቁራፅ ተፃብኦ ወፃኢ ዝተዋህበ ተወሳኺ መብርሂ ኣሎ'ዶ ንዝብል ሕቶ:- \"ኣብዚ ሰዓት ካብ መልሲ ሕቶታት ይበዝሑ ኣለዉ ፤ ካብ ኩሎም ወገናት ብፍላይ ካብ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተዋህበ ዝርዝር ሓበሬታ የለን::\" \"ከምቲ ዝፍለጥ ሓይልታት ህወሓት መቀለ ምእታዎም ዝገልፁ ፀብፃባት ክቃልሑ ቀንዮም እዮም ። ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ'ውን ንሮይተርስ ሰራዊቶም ንኸተማ መቀለ ሙሉእ ብሙሉእ ምቁፅፃሩን ነፍሲ ወከፍ ስድሪ መሬትና ካብ ፀላኢ ናፃ ስጋብ ትወፅእ'ውን ሰራዊትና ጉዕዝኡ ክቅፃል እዩ ምባሎም ዝፍለጥ እዩ\" ይብል::\" መንግስቲ ኢትዮጵያ በይናዊ ምቁራፅ ተፃብኦ ከምዝገበረ ዝሓበረ ኮይኑ ምክንያቱ'ውን ሓረስታይ ሕርሽኡ ሃዲኡ ክውግን ፣ሓገዛት ረዲኤት ካብ ወተሃደራዊ ምትዕንቓፋት ናፃ ኮይኑ ክባፃሕ ፣ መንገዲ ሰላም ዝመርፁ ኣባላት ሓይልታት ህወሓት ናብ መገዲ ሰላም ንኽፅምበሩ ክሕግዝ ተባሂሉ ስጋብ እዚ ናይ ሕርሻ እዋን ዝውዳእ ዝፀንሕ መንግስቲ በይናዊ ምቁራፅ ተፃብኦ ምእዋጁ ዝሕብር እዩ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ክግለፅ ዝቀነየ ። እዚ ድማ ምቁራፅ ተፃብኦ ክግበር ብግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ዶ\/ር ኣብራሃም በላይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሕቶ ምቅራቡ እዮም ተዛሪቦም ። ከምኡ'ውን ብተመሳሳሊ ወሃቢ ቃል ሓይሊ ምክልካል ኢትዮጵያ ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነ ንመራኸብቲ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ንኸይዲ ምርጫ ተባሂሉ ብዙሕ ቁፅሪ ዝነበሮ ሰራዊት ካብ ትግራይ ምውጽኡ ሓቢሮም ነይሮም።\" \" ከምቲ ዝፍለጥ ኣብዚ ቅነ ምርጫ ኣካይድና ኢና ብምዃኑ'ውን ካብ ውሽጥን ደገን ክገጥመና ይኽእል እዩ ዝብል ፀጥታዊ ስግኣት ስለዝነበረ ብናይ መንግስቲ ትእዛዝ ኣብ ትግራይ ተዋፊሩ ዝነበረ ልዑል ቁፅሪ ዘለዎ ሰራዊት ናብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ከባቢ ሃገርና ክዋፈር ተገይሩ እዩ ። ምስዚ ተወሳኺ ምክንያት ኣብቲ ዝመፅእ ክረምቲ ሓረስታይ ትግራይ ሃዋህው እቲ ኲናት ከይረበሾ ስራሕቲ ሕርሽኡ ከሳልጥ ኣብተን በዝሒ ህዝቢ ዝርከበለን ከባቢታት: ቀንዲ መሰረተ ልምዓት ዝርከበለንን መስመራትን ዝሕሉ ኣብ እንደርታን ከባቢኣን ጥራሕ እዩ ነይሩ ። ሎሚ ፈቀዶ በዓትታትን ገደላትን ክሕባእ ዝፀንሐ ፣ ኣፅዋሩ ደርብዩ ኣብገዛ ተሓቢኡ ዝሐሸ ምላሽ ህዝቢ እናገደደ መገዲታት እናዓፀወ ተዓዊት ኢሉ ክዘልል ንርዮ አለን::\" እዚ መግለፂ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝወፀን ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ድማ ብኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ ሰነ 14 ምንባሩ ዝገለፀ እስክንድር ነቶም ወጺኦምም ዝተባህሉ ወተሃደራት ድሕሪ እቲ ምርጫ እዩ ፣ ንምርጫ ተባሂሉ እንተወጺኦም መዓስን ከመይን ዝብል መልሲ የለን ይብል ።ቅደም ሰዓባት እቶም መዓልትታት 'ውን ዘርእዮ እዚ እዩ ኢሉ ። ብዘይካ ነቲ ትማሊ ብሮይተርስን ካልኦት ዝወፀ መግለፂ ወፃኢ ካብ ሕወሓት ዝተዋህበ መብርሂ'ኸ ኣሎዶ ንዝብል ሕቶ \" ካብቲ ትማሊ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኢሎምዎ ክብል ሮይተርስ ዘውፀኦ ፀብፃብ ብተወሳኺ ኣድላዪ እንተኾይኑ ስጋብ ክልል ኣምሓራን ኤርትራን ብምኻድ ፀላእትና ክነሳድዶም ኢና ክብሉ ገሊፆም ምባሉ ስዒቡ ፓርቲ ብልፅግና ክልል ኣምሓራ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ድማ \" ህዝቢ ኣምሓራ ብግብረሽበራውያን ሕሳብ ከወራርድ ኣየፍቅድን \" ኢሉ እዩ ።\" ወልቃይት፣ፀገዴ ፣ፀለምትን ራያን ብመስዋእቶም ናፅነቶም ዘኽበሩ መሬታት ኣምሓራ ምዃኖም ደጊምና ነፍልጥ \" ክብል እቲ መግለፂ ሓተትኡ ከዝቅፅል እየ ዝተዓዘብኩ ይብል ሰራዊት ኤርትራ ድማ ዝወፈርኩሉ ተልእኾ ዛዚመ እየ ሓይልታተይ ናብ ዛላምበሳን ባድመን ስሒበ ኣለኹ ምባሉ ዝሕብር ሓበሬታ ረኺብካ ኣለኻ'ሞ እስኪ ብዛዕብኡ ንገረና ብመዳይ መንግስቲ ኤርትራ ካብቲ እንሰምዖ ዘለና ብተወሳኺ ዘሎ ሓሳብ እንታይ እዩ ንዝብል ሕቶ \"እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ብዛዕባ ሰራዊት ኤርትራ ዝምልከት ኤርትራን ፕረስ ዝተባህለ እቲ ኩነታት ካብ ዝተጀመረ ጀሚሩ ብተደጋጋሚ ዝፅሕፍ እዩ ። ትማሊ ከምዘውፀኦ ሓበሬታ እንተኾይኑ ሓይልታት ኤርትራ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ትግራይ ወፂኡ ኣብ ዶብ ከባብታት ባድመን ዛላምበሳን ከምዝዓረደ ሓቢሩ ። እዚ እዩ ብመዳይ ኤርትራ ዝተረኽበ ሓበሬታ\" ክብል ዘተኦም ዛዚሞም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%88%E1%8A%AA%E1%88%8D-%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/5948284.html"} {"headline":"ዩኒሴፍ: ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ መቐለ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ዝነበረ መሳርሒ ሳተላይት ምዕናዎም ሓቢሩ","content":"ሰራዊት ኢትዮጵያ ትማሊ ሶኑይ ናብ’ቲ ኣብ መቐለ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ኣትዮም ንመሳርሕ ሳተላይት ቪሳት ከምዘዕነውዎ ትካል ህጻናት ኣድህን ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ኣፍሊጡ። ዩኒሴፍ\"ተግባር ወትሃደራት ኢትዮጵያ፣ ንመሰላት፣ ሓለዋ ምርካብን፣ ኣብ ትሕቲ ዓለምለኻዊ ሕጊታት፣ ትካላት ኣብ ስራሕቲ ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ ጥቅሚ ንዝውዕልዎም ኣቁሑት ዘይምትንካፍን ዝብሉ ሕጊታት ዝጣሓሰ’ዩ\" ይብል ። \"ቀዳምነት ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ኣብ ትግራይን ኣብ ኢትዮጵያን፣ ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ 140 ሽሕ ቆልዑ ሓዊሱ ንኩሎም ዝተቃልዑ ህጻናት ምሕጋዝ እዩ፣ ስለዚ፣ ዒላማ መጥቃዕቲ ክንከውን ኣይነበረናን ንመጻኢ’ውን ክንከውን ኣይግባእን\" ይብል። ዩኒሴፍ ወሲኹ \"ኣብ ትግራይ ዝዋስኡ ኩሎም ተዋጋእቲ፣ ንሕጊታት ውግእ ክትግብሩ፣ ንትካላት ሰብኣዊ ሓገዛት ክከላኸልሎምን ይሓትት። ብኣንጻሩ፣ ተዋጋእቲ ሓይልታት፣ ንንብረት ትካላት ረድኤት ክከታተሉን ክወርሱን ኣይግባእን፣ ረድኤት ናብ ዘድልዮም ንምሕላፍ ከሐግዙን ንህጻናት ኩሉ ጊዜ ካብ ሓደጋ ክከላኸሉን\" ኣዘኻኺሩ ኣሎ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%88%B4%E1%8D%8D-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8C%BD%E1%88%95%E1%8D%88%E1%89%B1-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%88%B3%E1%88%AD%E1%88%92-%E1%88%B3%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%AD%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%8A%93%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5947255.html"} {"headline":"ምቁራጽ ተኹሲ ክልል ትግራይ ስዒቡ ካብ ወሃቢ ቃል ህውሓት : ኤርትራን ክልል ኣምሓራን ዝተዋህበ መግለጺታት","content":"ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዋግኡ ዘለው ህውሓት፣ ኣገዳሲ እንተኾይኑ እግሪ እግሪ ጸላኢ ንዝብልዎም እናሳዓቡ ናብ ኤርትራን ክልል ኣምሓራን ክዘልቁ ከምዝኽእሉ ገሊጾም። ንወሃቢ ቃል ህውሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝጠቀሰ ሮይተርስ \"ቀዳምነት ዝስራዕ ዓቅሚ ጸላኢ ምድኻም እዩ፣ ናብኡ ንምብጻሕ ክሳብ ክልል ኣምሓራ ምዝላቅ ኣድላዪ ኮይኑ እንተተረኺቡ ክንገብሮ ኢና፣ ናብ ኤርትራ ምእታው’ውን ኣገዳሲ እንተኾይኑ ክንኣቱ ኢና\" ኢሎም ኣለው። ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገ\/መስቀል ብወገኖም ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ \"ትሮል ህወሓትን ሓገዝቶም፣ ካብ ታሪኽ ዝማሃሩ እንተኾይኖም፣ ታሪኽ እግሪ መትከል፣ ዓዲ በጊዖ፣ ግንባር ዓሰብ፣ ጾረና ኣብ 2016ን ናይ’ዚ ቀረባ ወትሃደራዊ ስዕረትን። ብተመሳሳሊ መገዲ ‘ጸወታ ኣብቂዑ \/ ጌም ኦቨር\/ ዝብል ኣገላልጻ ዘለዎ መሰረታዊ ትርጉም፣ ስፍሓቱን መግለጺኡን ክርድእዎ ኣይክእሉን\" ኢሎም። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ፓርቲ ብልጽግና ክልል ኣምሓራ \"ህዝቢ ኣምሓራ፣ ብኣሸበርቲ፣ ሒሳብ ንከወራርድ ኣይፈቅድን\" ዝብል መግለጺ ሎሚ ምሸት ዘርጊሑ ኣሎ። ህወሓት ንህዝቢ ኣምሓራ ብሓፈሻ ዝጸልእ ጉጅለ እዩ’ውን ኢሉ ይኸስስ። እቲ መግለጺ ወሲኹ \"ህዝቢ ኣምሓራ ሕነ ንምፍዳይ ቅሩብ ኣይኮነን፣ እዚ ማለት ግና ሒሳብ ክነወራርድ ኢና ባሃልቲ ክዕገሶም እዩ ማለት ኣይኮነን። ከዳዓትን ጸረ ህዝቢን ንዝኾኑ ሓይልታት ብዘይ ምሕረት ክዋገኦም’ዩ\" ይብል። ፓርቲ ብልጽግና ክልል ኣምሓራ\"ወልቃይት፣ ጠገዴ፣ ጸለምቲን ራያን ብመስዋእቶም ነጻነቶም ዘኽበሩ ከባቢታት ኣምሓራ ከምዝኾኑ ደጊምና ነፍልጠኩም። እዞም ከባቢታት ካብ ሕጊ ወጻኢ ብሓይሊ ክንወስዶምን ክንጥቅልሎምን ኢና እንተተባሂሉ፣ ንነጻነቱ ክብል ዋጋ ዘይኸፍል ኣምሓራ ከምዘየለ ክነረጋግጸልኩም ንደሊ\" ይብል ። ብካልእ ወገን ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሓመት\"መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ምእዋጁ ከምዝንእዱን ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት ከምዝኾነ\" ገሊጾም። ንሶም ሰበ ስልጣን ኣብ ዝተማለአን ኩሉ ሓቆፍን ነባሪ ምቁራጽ ተጻብኦ ንክብጻሕን ኣብ ትግራይ ነባሪ ሰላም ንክርከብን ንክሰርሑ ጸዊዖም። እቶም ኣቦ መንበር ወሲኾም \"ኣብ ትግራይ ንዘሎ ውግእ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክርከበሉ፣ ኣብ ምዕዋቱ ድማ ሕብረት ኣፍሪቃ ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ሰላምን ህድኣትን ንክረኽቡ ከምዘሐግዝ\" ኣፍሊጦም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%89%81%E1%88%AB%E1%8C%BD-%E1%89%B0%E1%8A%B9%E1%88%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%8B%92%E1%89%A1-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A2-%E1%89%83%E1%88%8D-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%8B%E1%88%85%E1%89%A0-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA%E1%8A%95-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB%E1%8A%95\/5947252.html"} {"headline":"'ፈደራል ሰራዊት ካብ መቐለ እንተወጹን መንግስቲ በይናዊ ምቁራጽ ተኹሲ እንተኣወጀ ውግእ ኣብቒዑ ማለት ኣይኮነን' ተንታኒ","content":"ሰራዊት ኢትዮጵያ ዋላ ካብ መቐለ እንተወጹን ፌደራል መንግስቲ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ እንተኣወጀን ውግእ መሊኡ ኣብቂዑ ኣሎ ማለት ከምዘይኮነ ዞባዊ ተንተንቲ ይገልጹ ኣለው። ካብ ለንደን ንኩነታት ምብራቅ ኣፍሪቃ ዝትንትንን ንትካል ሰላም ኣሜሪካ ዝሰርሕን ኣልይ ቨርጂ \"ሰራዊት ኢትዮጵያ ሎሚ’ውን ዝቆጻጸርዎም ከባቢታት ኣለው። ሰራዊት ትግራይ ድማ ነዞም ወትሃደራት፣ ካብ’ቶም ከባቢታት ክነውጸኦም ኢና ኢሎም’ዮም። ስለዚ ኣብ ካልእ ከባቢታት ትግራይ ውግእ ክንጽበ ንኽእል ኢና\" ይብል። እቲ ተንታኒ ወሲኹ \"ኢትዮጵያ ብብዙሓት ጸጥታዊ ውጥረት ትሓልፍ ከምዘላ’ ይጠቅስ። ብዛዕባ ዞባዊ ኩነታት ክዛረብ ከሎ \"መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ወትሃደራት ኤርትራ ከምዝወጹ ደጋጊሙ ገሊጹ እዩ፣ እንተኾነ ንምውጸኦም መረጋገጺ ኣይራኣናን\" ይብል። ውግእ ኣብቂዑ ማለት፣ ንጸገም ሓገዝ ዝጽበዩ ኣማኢት ኣሻሓት ሰባት ኣይፈትሖን እዩ’ እውን ከምዝበለ መሳርሕትና ካትሊን ዳውሰን ዘካየደቶ ቃለ ምልልስ ሓቢሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%8C%B9%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%89%A0%E1%8B%AD%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%89%81%E1%88%AB%E1%8C%BD-%E1%89%B0%E1%8A%B9%E1%88%B2-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%8A%A3%E1%8B%88%E1%8C%80-%E1%8B%8D%E1%8C%8D%E1%8A%A5-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%89%92%E1%8B%91-%E1%88%9B%E1%88%88%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8A%AE%E1%8A%90%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8A%95%E1%89%B3%E1%8A%92\/5947221.html"} {"headline":"ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ኣብ ኩነታት ኢትዮጵያ አኼባ አካይዱ","content":"በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሮበርት ጎደክ ሎሚ ንኮሚቴ ወጻኢ ጉዳያት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ኣብ ዘስመዖ ቃል \"መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናይ ባዕላዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ተግቢሩ ማለት፣ ምምሕያሽ ኣሎ ማለት ኣይኮነን፣ ኣብ ክንድኡ ኩነታት እናሓመቁ ይኸዱ ከምዘለው ሓባሪ እዩ\" ኢሎም። ንሶም ወሲኾም \"መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ተወሳኺ ስጉምታት ክጽበዩ ኣለዎም። ኣብ ትግራይ ‘ራዕዲ’ ኣብ ዝቀጸለሉ እዋን፣ ተዓዘብቲ ጥራሕ ክንከውን ኣይንኽእልን\" ከምዝበሉ ወኪልና ማርጋሬት ባሽር ዝላኣኸቶ ሓበሬታ ገሊጹ። እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ \"ንውግእ ኣብ ኢትዮጵያ\" ዝግምግም ኣኼባ ሎሚ ከካይድ እዩ። ሰበ ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካን ሓለፍቲ ትካል ረድኤት ስግር ባሕሪ ኣሜሪካ (USAID) ኣብ’ቲ መድረኽ ሪፖርት ከቅርቡ እዮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B4-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A0%E1%8A%BC%E1%89%A3-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/5947194.html"} {"headline":"ብርቱዕ ህቦብላዊ ዝናብ ንመዕቖቢ ስደተኛታት ኢትዮጵያዊያን ኣብ ሱዳን ምዕናው ሕ\/ሃ ገሊጹ","content":"ብርቱዕ ህቦብላዊ ዝናብ፣ ኣብ ሱዳን መዕቆቢ ስደተኛታት ኢትዮጵያ ከቢድ ጉድኣት ከምዘውረደ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ብመሰረት’ዚ፣ ልዕሊ 16,000 ስደተኛታት ኣብ መዓስከር ኡም ራቁባን ጡናየብን ጉድኣት ከምዝወረዶም፣ ንብረት እቶም ስደተኛታት ብውሕጅ ከምዝተወሰደን እቲ ዜና ጠቂሱ። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣንጻር ጊዜ ይጓየ ከምዘሎን ምስ መሻርኽቱ ኮይኑ ንመጽለሊኦም ንምትካእ፣ ጽሩይ ዝስተ ማይን ካልኦት ቀረባትን ንምምላእ ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%89%B1%E1%8B%95-%E1%88%85%E1%89%A6%E1%89%A5%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%8B%9D%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%8B%95%E1%89%96%E1%89%A2-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%8A%93%E1%8B%8D-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5947165.html"} {"headline":"ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መቐለ ምውጽኡ ስዒቡ ወለዲ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲታት ክልል ትግራይ ኩነታት ክፈልጡ ዘይምኽኣሎም ገሊጾም","content":"ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መቐለ ምውጸኦም ስዒቡ፣ ወለዲ ኣብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲታት ትግራይ ትምህርቶም ይከታተሉ ዝነበሩ ተማሃሮ’ቶም ተማሃሮ ዝርከብሉ ኩነታት ክንፈልጥ ኣይካኣልናን ኢሎም ። ንድምጺ ኣሜሪካ ርእቶኦም ዝሃቡ ገለ ወለዲ \"ደቅና ምስ ቤተሰቦም ኣራኽብዎም\" ዝብል ምሕጽንታ፣ መቐለ ንዝተቆጻጸረ ሓይሊ፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ንማሕበረሰብ ዓለምን ከምዘቅረቡ’ውን እቲ ዜና ይሕብር። ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፣ ትማሊ ሶኑይ ንመቐለ ከምዝተቆጻጸራ ገሊጹ እዩ። ከም ዘ ዋሽንግተን ፖስትን ሮይተርስን ዝበሉ ዓለምለኻዊ መሓውራት ዜና’ውን ነቲ ዜና ኣረጋጊጾምዎ ኣለው። ፕረስ ኤርትራ ዝተባህለ ብወገኑ ‘ሰራዊት ኤርትራ፣ ካብ ኢትዮጵያ ከምዝወጸ ሓቢሩ ኣሎ። ኣብ ዛላምበሳ፣ ባድመን ካልኦት ናብ ዶብ ከባቢታት ከምዝሰፈረ’ውን ምንጭታት ይሕብሩ ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%8C%BD%E1%8A%A1-%E1%88%B5%E1%8B%92%E1%89%A1-%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8B%B2-%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%83%E1%88%AE-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%89%A8%E1%88%AD%E1%88%B2%E1%89%B2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8D%88%E1%88%8D%E1%8C%A1-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%8A%A3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/5947065.html"} {"headline":"ቤተሰብ ውሩይ ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ንህጻናትን አረጋዊያንን ይሕግዙ","content":"ቤተሰብ ስነ-ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ፣ ኣብ ኣምቦ ንዝርከብ ትካል ህጻናትን ኣረጋዊያንን ከምኡውን ኣብ’ታ ከተማ ንዝርከቡ ልዕሊ 200 ቆልዑ ከምዝሓገዘ ተፈሊጡ። በዓልቲ ቤት ሃጫሉ ወ\/ሮ ፋንቱ ደምሰው \"ሃጫሉ ንሰባት ንምሕጋዝ ዝነበሮ ትምኒት ከዕውት ግዴታይ እዩ\" ድሕሪ ምባል \"ደጊም ኣይነብዕን፣ ዝነብዕ፣ ሕልምታቱ ከዕውት እንተዘይኪኢለ ጥራሕ እዩ\" ከምዝበለት’ውን ተሓቢሩ'ሎ። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ መበል ሓደ ዓመት ዝኽሪ ሞት ስነ-ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ሎሚ ኣብ ዝተኸበረሉ መድረኽ ናይ’ቲ ስነ-ጥበባዊ ሳልሳይቲ ኣልበም ከምዝተመረቀ ዝረኸብናዮ ዜና ገሊጹ። ብምኽንያት ቀዳማይ ዓመት ሞት ሃጫሉ መግለጺ ዝሃበት ኣብ ዓለምለኸ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ዳይሬክተር ክፍሊ ቀርኒ ኣፍሪቃ ለሊታ በድር ብወገና \"ሞት ሃጫሉ፣ ቀራን መገዲ ከምዘጀመረ፣ ዘበነ ወጽዓን ህውከትን ኣብ ኢትዮጵያ ከምዘበገሰ\" ሓቢራ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%8B%8D%E1%88%A9%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%8A%90%E1%8C%A5%E1%89%A0%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%88%83%E1%8C%AB%E1%88%89-%E1%88%81%E1%8A%95%E1%8B%B4%E1%88%B3-%E1%8A%95%E1%88%85%E1%8C%BB%E1%8A%93%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A0%E1%88%A8%E1%8C%8B%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%88%95%E1%8C%8D%E1%8B%99-%E1%8A%90%E1%89%80%E1%88%9D%E1%89%B5\/5947063.html"} {"headline":"ድሬዳዋ: ኣብ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ዝተሳተፉ 9 ፓርቲታት እቲ ምርጫ ብሰላም ምዝዛሙ ብምግላጽ ውጽኢት ከምዝቕበልዎ ኣፍሊጦም","content":"ኣብ ድሬዳዋ ዝተሳለጠ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ዝተሳተፉ ትሸዓተ ፓርቲታት፣ መስርሕ እቲ ምርጫ ፣ ሰላማዊ ኮይኑ ስለዝተዛዘመ፣ ንውጽኢት ምርጫ ከምዝቅበሉ ኣፍሊጦም። ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓይልታት ጸጥታ’ቲ ክልል ንምዕዋት’ቲ ምርጫ ካብ’ኦም ትጽቢት ዝግበር ዘበለ ኣበርኪቶም’ዮም ክብሉ'ውን ኣመስጊኖም። ምምሕዳር’ታ ከተማ ብወገኑ \"ንምዕዋት ልምዓት ድሬዳዋ፣ ምስ ተቃወምቲ ፓርቲታት ሓቢረ ክሰርሕ’የ\" ከምዝበለ ተሓቢሩ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B5%E1%88%AC%E1%8B%B3%E1%8B%8B-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%BB%E1%8B%B5%E1%88%BB%E1%8B%AD-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%B3%E1%89%B0%E1%8D%89-9-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A5%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8B%9B%E1%88%99-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%88%8B%E1%8C%BD-%E1%8B%8D%E1%8C%BD%E1%8A%A2%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%95%E1%89%A0%E1%88%8D%E1%8B%8E-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A6%E1%88%9D\/5947045.html"} {"headline":"ህወሓት: 'ንከተማ መቐለ ተቆጻጺረ:ብህዝቢ ዝተመረጸ መንግስቲ ኸአ ናብ ቦትኡ ተመሊሱ' ኢሉ:: ዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃ ኣብ ጉዳይ ክልል ትግራይ መግለጺ ሂቦም","content":"ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉታረዝ ኣብ ጉዳይ ትግራይ መግለፂ ኣውፂኦም። እቶም ዋና ጸሓፊ ብዂናት ዝፍታሕ ሽግር የለን ድሕሪ ምባሎም፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ከም ዝተዘራረቡን ነቲ ቅልውላው ንምህዳእ ድማ እቶም ቀዳማይ ሚንስተር ተስፋ ከም ዝሃቡዎን ሓቢሮም። እቶም ዋና ጸሓፊ ኣብ መግለጺኦም፡ ሰላማዊ ህዝቢ ከይትንከፍ ስምዕተኦም ድሕሪ ምክፋል ነቶም ሓገዝ ዝደልዩ ወገናት ድማ ብቕልጡፍ ክሕገዙን ነቲ ቅልውላው ፖለቲካዊ ፍታሕ ክግበረሉን ምሕባሮም ገሊጾም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኸኣ ሓረስታይ ንኽሓርስ እዋን ክረምቲ ክሳብ ዝሓልፍ በይናዊ ብዘይቅድመ ኹነት ተኹሲ ጠጠው ኣቢልና ኢሉ’ሎ። እዚ ዝብል ዘሎ ህወሓት \"መቐለ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓይልታት ትግራይ ኣትያ’ላ ብህዝቢ ዝተመርፀ መንግስቲ ትግራይ ድማ ናብ ቦትኡ ተመሊሱ’ሎ\" ክብል ብወሃቢት ቃሉ ወ\/ሮ ልያ ካሳ ብድምፂ ወያነ ኣቢሉ ገሊጹ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%8A-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%82%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%A8%E1%8C%B8-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%89%A6%E1%89%B5%E1%8A%A1-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%8A%E1%88%B1-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%95%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%88%9D%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%8C%BB%E1%88%A9-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9-%E1%88%8E\/5945854.html"} {"headline":"ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ መንግስቲ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ክገብር ሓቲቱ","content":"ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰብኣውነት መሰረት ዝገበረን ተወሳኺ ጉድኣት ብዘየስዕብ መልክዑን ተኹሲ ደው ንምባል ስምምዕ ክገብር ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምሕታቱ ፋናን ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያን(ኢዚኣ​) ጸብጺበን። ዋና ፈጻሚ ስራሕ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ\/ር ኣብርሃም በላይ ምስ ኢዚኣ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት፡ ክረምቲ ይኣቱ ስለዘሎ፡ሓረስቶት ትግራይ ተረጋጊኦም ስርሖም ክዓሙ ከምኡ`ውን ንሰብኣዊ ተረዳእቲ ብዘይ ጸገም መታን ክበጽሖም፡ ነቲ እዋን ዝምጥን ፓለቲካዊ ፍታሕ ንምሃብ ፈደራል መንግስቲ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ክገብር ሓቲቱ`ሎ። ዶ\/ር ኣብርሃም በላይ ሓረስቶት`ቲ ኽልል ኣብዚ ክረምቲ`ዚ ናብ ማሕረስ እንተዘይኣትዮም ሓረስቶት ንዓመታት ተረዳእቲ ኮይኖም ናይ ምንባር ዕድል ክገጥሞም`ዩ ኢሉ ። ኣተሓሒዙ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ልዕሊ 100 ቢልየን ብር ረድኤት ንምቕጻል ኣገልግሎት መንግስትን ህንጸት መሰረተ ልምዓትን ኣውዒሉ`ዩ ኢሉ። ህወሓት ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ተጸበይቲ ንከይበጽሕ ከምዘተዓናቕፍ ዝገለጸ ዶ\/ር ኣብርሃም በላይ፡ ህወሓት ንሰራሕተኛታት ረድኤት ይቐትል፡ ዜጋታት ረድኤት ከይቅበሉ ከምዘፈራርሕ፡ እንተ ተቐቢሎም ድማ ክመቕልዎ ከምዘፈራርሕ ኣረዲኡ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8A%E1%8B%9D%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%8A%B9%E1%88%B2-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%8A%AD%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%AD-%E1%88%93%E1%89%B2%E1%89%B1\/5945827.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ በይናዊን ብዘይ ቕድመ ኩነት ተኹሲ ደው ምባል ኣዊጁ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ በይናዊን ብዘይ ቅድመ ኩነትን ቶኽሲ ደው ምባል ኣዊጁ። ብኻልእ ወገን ህወሓት መቐለ ምእታዉ ልሳኑ ብዝኾነት ድምጺ ወያነ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፥ ንጸገም ክልል ትግራይ ነባሪ ፍታሕ ንምንዳይ ብኢትዮጵያን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ክቐርቡ ዝጸንሑ ናይ ፍታሕ ሓሳባት ከጽንዕ ምጽንሑን ብግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብተኸታታሊ ዝቐረበ ሕቶ ብዝተፈላለየ ምርኣዩን ብምሕባር ነቲ ሕቶ ከምዝተቐበሎ ኣፍሊጡ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A0%E1%8B%AD%E1%8A%93%E1%8B%8A%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8B%AD-%E1%89%95%E1%8B%B5%E1%88%98-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8A%B9%E1%88%B2-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8B%8A%E1%8C%81-\/5945799.html"} {"headline":"ሻምፒዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 2021  ተዛዚሙ","content":"ሻምፒዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 2021 ብዓወት ናይ ውሽጢ ዓዲ ተቕዳዳማይ ተዛዚሙ:: ተቐዳዳማይ ዳዊት የማነ ካብ ክለብ ኣስበኮ፡ ብስራት ገብረመስቀል ካብ ጋላ-ነፍሒ ሻምፒዮን ኤርትራ 2021 ኮይኖም። ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ከኣ ፕሮፌሽናል ተቕዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ ካብ ክለብ ኣስታና ፡ኣድያም ተስፋኣለም ካብ ጋላ-ነፍሒ ዝቐልጠፈ ሰዓት ብምምዝጋብ ሻምፕዮን ናይ ግዜ ኮይኖም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%BB%E1%88%9D%E1%8D%92%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%89%85%E1%8B%B5%E1%8B%B5%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%88%BD%E1%8A%AD%E1%88%88%E1%89%B3-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-2021-%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%99\/5945888.html"} {"headline":"መግለጺ19 ፓርቲታት ዝሓቖፈ ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ንውጽኢት ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ዘኽብሩን ቅሬታታት ዘለዎምን ብኣገባብ ሕጊ ጥራሕ ንምፍታሕ ከምዝንቀሳቐሱ 19 ፓርትታት ፖለቲካ ዝሓዘ ናይ ክልል ኣምሓራ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ገሊጹ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ንጉዳይ ሰላም ንምስራሕ ኣብ ስምምዕ ምብጽሖም`ውን ኣባላት`ቲ ቤት ምኽሪ ገሊጾም ኣለዉ። ኣብቲ ክልል 19 ፓርትታት ዝንቀሳቐሱ ክኾኑ ኸለዉ ካብኦም ብዘይካ ሓደ እቶም 18 ፓርትታት ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ምርጫ ተሳቲፎም`ዮም። ኣብቲ ዝተኻየደ ምርጫ ኩሎም ፓርትታት ፖለቲካ ብናጻ ይንቀሳቐሱ ምንባሮም`ውን እቶም ፓርትታት መስኪሮም ኣለዉ። ናይቲ ሓባራዊ ቤት ም​ኽሪ ፕረዚደንት ኣቶ ተስፋሁን ኣለምነው፡ ኣብ መስርሕ`ቲ ምርጫ ጸገማት እንተነበሩ`ውን ብተሳትፎ ህዝቢ ብሰላም ምዝዛሙ ከምኡ ድማ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ውጽኢት ክሳብ ዘፍልጥ ብትዕግስቲ ከምዝጽበዩን ነቲ ውጽኢት ድማ ብጸጋ ከምዝቕበሉን ኣፍሊጡ`ሎ-።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA19-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%89%96%E1%8D%88-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-\/5945787.html"} {"headline":"50 ሽሕ ተፈናቀልቲ ናብ ዞባ መተከል ምምላሶም ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋ'ቲ ክልል ኣፍሊጡ","content":"ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋ ክልል በነሻንጉል ጉሙዝ ልዕሊ 50 ሺሕ ተፈናቐልቲ ናብ ዞባ መተከል ተመሊሶም ክብል ኣፍሊጡ። ኮሚሽነር ታረቀኝ ታሲሳ ንድምጺ ኣሜሪካ ክገልጽ ከሎ፡ እቶም ተመዛበልቲ ናብ ቦትኦም ዝምለሱ ዘለዉ ኩነታት ጸጥታ ስለዝተመሓየሸ`ዩ ኢሉ። ኣብቲ ኽልል ልዕሊ 360 ሺሕ ዜጋታት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ተፈናቒሎም ብሓገዝ ዝነብሩ ምዃኖም ኣቶ ታረቀኝ ወሲኹ ሓቢሩ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%BD%E1%88%95-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8A%93%E1%89%80%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%88%98%E1%89%B0%E1%8A%A8%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%B6%E1%88%9D-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8C%8D%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B-%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5945764.html"} {"headline":"ቅትለት ሰለስተ ሰራሕተኛታት ዶብ ኣልቦ ሓካይም ኣብ ትግራይ ጽኑዕ ኩነኔ ኣስዒቡ","content":"ዶብ ኣልቦ ሓካይም (MSF)ዓርቢ ብመሰረት ዝዘርገሖ መግለጺ፣ ሰለስተ ሰራሕተኛታቱ ኣብ’ታ ውግእ ዝቀጸለላ ትግራይ ኣብ ጥቃ መኪነኦም ተቀቲሎም ከምዝተረኸቡ ሓቢሩ። እቶም ዝተቐተሉ ክልተ ኢትዮጵያውያንን ሓንቲ ስጳኛዊትን ክኾኑ ኸለዉ መንግስታት ኢትዮጵያን ኣሜሪካንን ነቲ ቅትለት ኮኒኖሞ`ለዉ። ዶብ ኣልቦ ሓካይም ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ብሓደ ወገን \"እቲ ዘጓነፈ ሞትን ዝተሰመዐና ቃንዛን ስንባደን ሕርቃንን ንምግላጽ ቃላት እዩ ዝሓጽረና’\" ይብል ። ብካልእ ወገን ነቲ ዝወረደ ኪሳራን ኣብ ልዕሊ ቤተሰቦም ኣጋጢሙ ዘሎ ስቃይን ንምንካይ ዘሕግዝ ዝኽእል ቃላት’ውን የለን ይብል ። እቶም ግዳያት፣ 35 ዓመት ዝዕድሚኣ ኣተሓባባሪት’ቲ ፕሮግራም ኣብ ትግራይ ስጳኛዊት ማርያ ሄርናንደዝ፣ 31 ዓመት ዝዕድሚኡ ምክትላ ዝነበረ ዮሃንስ ሓለፎም ረዳን፣ መናሒ መኪናኦም ዝነበረ 31 ዓመት ዝዕድሚኡ ቴድሮስ ገ\/ማርያም ገ\/ሚካኤልን እዮም። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ ግብረ መልሲ ኣብ ልዕሊ’ቶም ሰራሕተኛታት ረድኤት ቅትለት ዝተፈጸመ፣ ህወሓት ኣብ ዝንቀሳቀሰሉ ዓብዪ ዓዲ ከምዝኾነ ብምጥቃስ \"ፈጸምቱ ዕጡቃት ህወሓት እዮም\" ከምዝበለ ዝመጸና ዜና ይገልጽ። ብካልእ ዜና፣ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝፈነውዎ መልእኽቲ ትዊተር \"ብወትሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ሰራሕተኛታት ዶብ ኣልቦ ሓካይም ዝተፈጸመ ቅትለት፣ ዘሕዝንን ዘጉሂን እዩ፣ እቶም ኣብ ወትሃደራት ኢትዮጵያ፣ ኣብ መዓስከር ተፈናቀልቲ’ውን ንብርክት ዝበሉ ካልኦት ሰባት ቀቲሎም እዮም፣ እዚ ተግባር’ዚ ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ዝጸንሐ ተርእዮታት እዩ\" ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%85%E1%89%B5%E1%88%88%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%B6%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%89%A6-%E1%88%93%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8C%BD%E1%8A%91%E1%8B%95-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%8A%94-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%8B%92%E1%89%A1\/5945649.html"} {"headline":"ሰለስተ ሰራሕተኛታት ረድኤት ዶብ ኣልቦ ሓካይም ኣብ ትግራይ ምቕታሎም ተገሊጹ","content":"ሰለስተ ሰራሕተኛታት ረድኤት ዶብ ኣልቦ ሓካይም (MSF) ኣብ ትግራይ ከምዝተቀትሉ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ። 35 ዓመት ዝዕድሚኣ ስጳኛዊት ማርያ ሀርናንደዝ፣ 31 ዓመት ዝዕድሚኡ ኢትዮጵያዊ ዮሃንስ ሓለፎም ረዳን ከምኡውን ዘዋሪ መኪና 31 ዓመት ዝዕድሚኡ ኢትዮጵያዊ ቴድሮስ ገብረማርያም ገ\/ሚካኤልን ትማሊ ድሕሪ ምሳሕ ይጓዓዙ ከምዝነበሩን ርክብ ከምዘቋረጹን፣ ሎሚ ንጉሆ መኪናኦም ተረኺባ፣ ኣስከሬን ሰለስቲኦም ድማ ቁሩብ ሜትሮታት ርሕቅ ኢሉ ከምዝተረኸበ ዶብ ኣልቦ ሓካይም ኣፍሊጡ። ዶብ ኣልቦ ሓካይም ሞት ማርያ፣ ዮሃንስን ቴድሮስን ንኩላትና ኣብ ኢትዮጵያን ካልኦት ንነጥፈለን ሃገራትን ከቢድ ኪሳራ እዩ። ዓሚቅ ጓሂ፣ ቁጠዐን ሕርቃንን ተሰሚዑና ኣሎ። ንቤተሰቦም ድማ ምጽንናዕ ንምነ ኢሉ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%A8%E1%8B%B5%E1%8A%A4%E1%89%B5-%E1%8B%B6%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%89%A6-%E1%88%93%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%B3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5942976.html"} {"headline":"ፀብፃብ ምርጫ ኢትዮጵያ","content":"ኣብ ደቡብ ክልል ዝተኻየደ ምርጫ ተዘሪዙ ዳግም ክካየድ ኣለዎ ኢሉ ናይ ኢትዮጵያ ሶሻል ዴሞክራቲክ ፓርቲ።ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ካብ ዝተፈላለዩ ፓርትታት ጥርዓናት ከምዝተቐበለ ገሊፁ ኣሎ።ብኻሊ ዜና ኣብ ክልል ሲዳማ ዝተኻየደ ሃገራውን ክልላውን ምርጫ ሰላማዊን ዜጋታት ብነፃነት ናይ ምምራፅ መሰሎም ዘይደረተሉን ከምዝነበረ ናይ ሓባር ቤት ምኽሪ ኣብቲ ክልል ዝተወዳደሩ 12 ተነሓናሕቲ ውድባት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ። ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ክልል ዝተኻየደ ምርጫ ሰሪዙ ዳግም ከካይድ ናይ ኢትዮጵያ ሶሻል ዴሞክራቲክ ፓርቲ \\ኢሶዴፓ\\ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣተሓሳሲቡ። ናይቲ ፓርቲ ኣቦ ወንበር ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ እቲ ምርጫ ሃናፂን ኣብ ኢትዮጵያ ፍትሓውን ተኣማኒን ከምኡ እውን ብሰላማዊ ኣገባብ መረፃ ምክያድ ከምዝክኣል መርኣያ እንተነበረ እውን ዝተመደቡ ኣፈፀምቲ ምርጫ ከምኡ እውን ኣካላት ፀጥታ ምስ ገዛኢ ፓርቲ ወጊኖም ዝሰርሕሉ ብርክት ዝበሉ ብድሆታት ዝነበሮ እዩ ኢሎም።ስለዚ እቲ ምርጫ ተሰሪዙ ገለልተኛ ኣፍፀምቲ ምርጫ ተጠቒሙ ዳግማይ ምርጫ ከካይድ ብጥብቂ ነተሓሳስብ እዮም ኢሎም። ናይ ክልል ደቡብ ቤት ፅሕፈት ብልፅግና ፓርቲ ብዓልቲ ስልጣን ዝኾና ወይዘሮ ፀሃይ ወራሳ ብኢሶዴፓ ንዝቐረበ ጥርዓን ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ ኢለን። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ክልል ሲዳማ ዝተኻየደ ሃገራውን ክልላውን ምርጫ ሰላማዊን ዜጋታት ብነፃነት ናይ ምምራፅ መሰሎም ዘይደረተ ከምዝነበረ ኣብቲ ክልል ዝተወዳደሩ 12 ተነሓናሕቲ ውድባት ናይ ሓባር ቤት ምኽሪ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣረጋጊፁ። ብዙሓት ፓርትታት ብዙሕ ጥርዓናት ኣቕሪቦም እዮም ዝበላ ትማሊ ሓሙስ ጋዜጣዊ መግለፂ ዝሃባ ኣዶ ወንበር ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ወይዘሪት ብርቱኳን ሚደቅሳ ዝቐረቡ ጥርዓናት ብዓይነቶም፣ብትሕዝቱኦም፣ምስቲ ውፅኢት ዝህልዎም ርክባት ከምዝርኣያ ሓቢረን።‘’ገሊኦም ብናትና ደረጃ ክቐርቡ ዝኽእሉ ከምዘይኮኑ ንምርኣይ ክእሊና ኣለና።ገሊኦም ድማ ነቲ ውፅኢ ዝቕይሩ ስለዘይኮኑ ቀዳምነት ዝወሃቦም ኣይኮኑን’’ ኢለን። ብኻሊእ ዜና ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ ጃቢ ጣህናን ጣቢያ አውንት መንዝ ኣብ ድሮ ምርጫ ናይ መረፃ ወረቓቕቲ ሰሪቑ ናብ ማይ ኣእትዩዎ ዝተብሃለ ኣቦ ወንበር ጣቢያ ብማእሰርቲ ክቕፃዕ ከምዝተፈረዶ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ክልል ኣምሓራ ገሊፁ። ተኸሳሲ እንለይ በዜ ብሰለስተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ሓላፍነቱ ኣይተዋፀን ዝተብሃለ ሓላዊ ድማ ሓደ ሽሕ ቕርሺ ተቐፂዑ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-election-update\/5942952.html"} {"headline":"መግለጺ ትካል ስደተኛታት ሕ\/ሃ ኣብ ትግራይ ቶጎጋ ንዘጋጠመ ሞትን መጉዳእቲን","content":"ሓላፊ ጉዳይ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዴ ብዛዕባ ኣብ ዕዳጋ ቶጎጋ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ዘጋጠመ ሞትን መጉዳእቲን ዝምልከት መግለጺ ሂቦም። ፍሊፖ ግራንዴ\"እቲ ዳሕረዋይ ዘሕዝን ፍጻመ (ትራጀዲ) ዘጉለሆ ሓቂ፣ ውግእ ከምዝገደዶን ሰብኣዊ ኩነታት ኣብ ሓደጋ ይወድቅ ከምዘሎን እዩ\" ይብሉ ። ንሶም ወሲኾም ኣብ ክልል ትግራይ ውግእ ኣብ ሕዳር ካብ ዝውላዕ ንደሓር፣ብተደጋጋሚ ውግእ ንከብቅዕ ተዋጋእቲ ንሰላማዊያን ሰባት ሰራሕተኛታት ረድኤትን ክከላኸሉሎምን ጸዊዔ እየ ይብሉ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B6%E1%8C%8E%E1%8C%8B-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%9E%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8A%A5%E1%89%B2%E1%8A%95\/5942955.html"} {"headline":"ኩነታት ጸጥታ ክልል ትግራይ ዝተሓላለኸን ተአፋፊን'ዩ ክብል ወሃቢ ቃል ሕ\/ሃ ሓቢሮም","content":"ኣብ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ትግራይ፣ ኣብ ጽርግያታት ከይተረፈ ድምጺ ከቢድ ብረት ዝሓወሰ ውግእ ይቅጽል ከምዘሎ ዝጠቀሰ ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ኩነታት ጸጥታ ዝተሓላለኸን ኣዝዩ ተባራዒን ከምዝኾነን ሓቢሩ። ንትካላት ረድኤት ዝጠቀሰ እቲ ሪፖርት \"መሕለፊ ስለዘይተረኸበ፣ ሕክምናዊ ቀረባት፣ መግቢን ካልኦት ነገራትን ብሕልፊ ናብ ንክትበጽሓሎም ኣጸጋሚ ዝኾኑ ስፍራታት ምሕላፍ በዳሂ ኮይኑ ኣሎ\" ይብል። ዝዓበየ ክፋል’ቲ ረድኤት እኽሊ ከምዝኾነ፣ ብመሰረት ካብ ባሕቲ ግንቦት ንደሓር ዝተኸፋፈለ ሓገዝ ካብ 5.2 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ናብ’ቶም 3.7 ሚልዮን እኽሊ ምብጻሕ ከምዝተኻኣለ ሓቢሩ'ሎ። ዝሓለፈ ቅነ ልዕሊ 1 ሽሕ ከቢድ ሕጽረት መግቢ፣ ኣስታት 5 ሽሕ ቆልዑ ድማ መጠነኛ ሕጽረት መግቢ ዘለዎም ቆልዑ ክንክን ከምዝተገበረሎም፣ 22 ሽሕ ሰባት ድማ ኣብ’ዚ ወርሒ’ዚ ሕክምናዊ ሓገዝ ከምዝረኸቡ ተፈሊጡ ኣሎ። ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ዕዳጋ ቶጎጋ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ናብ’ቲ ስፍራ ኣቲና ንክነጻሪዮ ዝገበርናዮ ጻዕሪ፣ ፈቃድ ክንረክብ ስለዘይካኣልና ኣይሰለጠን ይብል ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8A%B8%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8A%A0%E1%8D%8B%E1%8D%8A%E1%8A%95-%E1%8B%A9-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A2-%E1%89%83%E1%88%8D-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/5942940.html"} {"headline":"ክልል ትግራይ: ትካል ህጻናት ሕ\/ሃ ኣስታት 33 ሽሕ ህጻናት ኣብ ከቢድ ሕጽረት መግቢ ከምዝርከቡ ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ትግራይ ዝቀጸለ ውግእ፣ ንዓሰርተታት ኣሻሓት ቆልዑ ኣብ ኩነተ ጥምየት ኣውዲቅዎም ከምዘሎ ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ገሊጹ። ኣብ ርሑቅ ከባቢታት ዘለው ብውሑድ 33 ሽሕ ህጻናት ኣብ ከቢድ ሕጽረት መግቢ ከምዝርከቡን ህጹጽ ሓገዝ እንተዘይቀሪቡሎም ክሞቱ ከምዝኽእሉን ዩኒሴፍ ጠቂሱ ኣሎ። 2.2 ሚልዮን ህጻናት ትግራይ ንከቢድ ሕጽረት መግቢ ተቃሊዖም ከምዘለው ዝዝከር እዩ። እኽሊ እንተዘይተዘሪኡን ሓገዝ መግቢ ኣብ እዋኑ እንተዘይቀሪቡን፣ ኣብ’ዘን ዝቅጽላ ኣዋርሕ ኩነታት ናብ ዝሓመቀ ደረጃ ክወርድ ከምዝኽእል’ውን እቲ ሪፖርት ሓቢሩ። ብመሰረት’ዚ፣ ዮኒሴፍ ኣብ’ቲ ግጭት ይዋስኡ ዘለው ሓይልታት፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይ ዕንቅፋት ንክባጻሕን ንሓደጋ ጥምየት ንምውጋድ ንከሐግዙ ጸዊዑ ኣሎ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%85%E1%8C%BB%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-33-%E1%88%BD%E1%88%95-%E1%88%85%E1%8C%BB%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%A2%E1%8B%B5-%E1%88%95%E1%8C%BD%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1-\/5942926.html"} {"headline":"መግለጺ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ምርጫ ኢትዮጵያ","content":"ኤምባሲ ኣውስትርያ፣ ኣውስትራልያ፣ ካናዳ፣ ዴንማርክ፣ ጀርመን፣ ኣየርላንድ፣ ጃፓን፣ ሉክሰምበርግ፣ ኒውዝላንድ፣ ኖርዌይ፣ ስዊድን፣ ኔዘርላንድ፣ ዓባይ ብሪጣንያን ልኡኻት ሕብረት ኣውሮጳን ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ’ዚ ቀረባ ዝተካየደ ምርጫ፣ ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺኦም። ኣብ ዝሰፍሐ ከባቢታት’ታ ሃገር ምርጫ ከምዝተካየደ፣ ዝመጽእ መስከረም ከምዝቅጽልን ዝሓበረ እቲ ሓባራዊ መግለጺ፣ እዞም ዓለምለኻዊ ኣካላት፣ ከምናይ ነዊሕ እዋን መሻርኽቲ፣ ኢትዮጵያ ናብ ዝበለጸ ዴሞክራሲያዊ ምሕደራ ንምእታው ንትገብሮ ጻዕሪ ሓገዝቲ ከምዝኾኑ ጠቂሶም። ኣዎንታዊ ምዕባለታት ከምዝተራኣዩ ዝጠቅስ እቲ መግለጺ፣ ቦርድ ምርጫ ምስ ኩሎም ሰብ እጀታን ፖለቲካዊ ፓርቲታትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ሚድያን ዝነበሮ ጽምዶ ንኢዱ። እንተኾነ፣ እቲ ምርጫ ኣብ ኣዝዩ በዳሂን ጸገም ዝተራኣየሉን ኩነታት ከምዝተካየደ፣ ፖለቲካዊ ሃዋሁ ዝተደረተሉ፣ ኣባላት ተቃወምቲ ፓርቲታት ኣብ ዝተኣሰርሉ፣ ኣብ ልዕሊ ሚድያታት ምፍርራሕ ዘጋጠመሉ ፓርቲታት ብነጻነት ወፍሪ ምርጫ ዘይገበርሉ ኮይኑ ከምዝሓለፈ እቲ መግለጺ ገሊጹ። ብዝሒ ኣብ’ቲ ምርጫ ዝተሳተፋ ደቂ ኣንስትዮ፣ ካብ’ቶም ዝሓለፉ ምርጫታት ብሲሶ ኢድ ከምዝነከየ’ውን እቲ መግለጺ ጠቂሱ። ምርጫ ምክያድ በይኑ ዴሞክራሲያዊ ስግግር ኣየዕውትን ወይካኣ ነቲ ኢትዮጵያ ኣጓኒፉዋ ዘሎ ፖለቲካዊ ብድሆ ኣይፈትሖን እዩ። ስለዚ መንግስቲ ኢትዮጵያን ካልኦት ሰብ እጀታን፣ ትርጉም ንዘለዎን ሰፊሕን ሃገራዊ ልዝብ ንክገብሩን ሰላማዊ ፍታሕ ንከምጽኡን እተን ሃገራት ጸዊዔን። እቲ መግለጺ ወሲኹ እዚ ኣገዳሲ ዝኾነሉ ምኽንያት ይብል እቲ መግለጺ፣ ዴሞክራሲያዊ ምዕባለ ኢትዮጵያ ንክዕወት፣ ኣብ ትግራይ ንዝተኸሰተ ፖለቲካዊ ኩነታት ሓዊሱ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ንዝራኣዩ ግጭታት ንምፍታሕ ክሕግዝ እዩ ይብል::","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%88%AE%E1%8C%B3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/5942889.html"} {"headline":"ግብጽን ሱዳንን ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ\/ሃ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ጣልቃ ክኣትው ምሕታተን ኢትዮጵያ ከምዘይትቕበሎ ገሊጻ","content":"ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ካብ ስልጣኑ ወጻኢ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ጣልቃ ንክኣትው ግብጽን ሱዳንን ምሕታተን ኢትዮጵያ ከምዘይትቕበሎ ገሊጻ። ናብ ፕረዚደንት እቲ ቤት ምኽሪ ዝተጻሓፈ ደብዳቤ ናይ ኢትዮጵያ \"ግብጽን ሱዳንን ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ዘቅረብዎ ሕቶ ንተበግሶ ኣፍሪቃ ትመርሖ ተበግሶ ዘነኣእስ ሽርሒን ኣብ ሞንጎ ሰለስቲኤን ሃገራት ንዝጸንሐ ምትእምማን ዝሽርሽርን እዩ\" ይብል። ኢትዮጵያ ብዘይ ፈቃድ ክልቲኤን ሃገራት ነቲ ግድብ ማይ ክትመልእ ኣይትኽእልን ኢልካ ዘረባ ደገፍ ዓለምለኸ ሕጊ ከምዘይብሉ’ውን እቲ ደብዳቤ ገሊጹ ኣሎ። ብመሰረት’ዚ፣ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ሱዳንን ግብጽን ኣብ ትሕቲ ኣፍሪቃ ትመርሖ ልዝብ ንክሳተፋ መተባብዒ ንክረኽባ ኢትዮጵያ ጸዊዓ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%8A%95-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%8C%A3%E1%88%8D%E1%89%83-%E1%8A%AD%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%8D-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%89%B3%E1%89%B0%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%B5%E1%89%95%E1%89%A0%E1%88%8E-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BB\/5942864.html"} {"headline":"ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ንብረት ተኸሰስቲ አባላት ህውሓት ብናጻ አካል ክመሓደር ወሲኑ","content":"ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ፣ ንብረት ኣባላት ህወሓት ብነጻ ኣካል ንክማሓደሩ ከምዝወሰነ ተገሊጹ። ቤት ፍርዲ ቀንዲ ኣባላት ህወሓት ዝተባሃሉ ዝውንንዎም ናይ ንግዲ፣ መንበሪ ኣባይቲ ዘማሓድር ነጻ ኣካል ንክቅውም ዝተወሰነ ትማሊን ሎሚን ኣብ ዝዋዓለ መጋባእያ እዩ። ንዓቃቢ ኢትዮጵያ ኣቶ ኣለምኣንተ አግደው ዝጠቀሰ እቲ ዜና \"እቲ ቤት ፍርዲ ተጠርጠርቲ ብዝተኸሰስዎ ገበን ክሳብ መዕለቢ ዝዋሃቦ ብነጻ ኣካል ንክማሓደር ከምዝወሰነ\" ጠቂሶም። እቲ ዜና ወሲኹ ዝተኸሰሱ 11 ሰባት ዝውንንዎም ልዕሊ 30 ትካላትን ኣባይቲን ከምዝኾኑ’ውን ገሊጹ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8B%E1%8B%AD-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%88%B0%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8A%93%E1%8C%BB-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%8A%AD%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%8B%88%E1%88%B2%E1%8A%91\/5942856.html"} {"headline":"ቫይረስ ኮሮና ንህይወት ህጻናት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ የዕንው ምህላው ተገሊጹ","content":"ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፣ ብሕልፊ ኣብ ልዕሊ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ቆልዑ ሃገራት ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃ ኣዕናዊ ውጽኢት የስዕብ ከምዘሎ፣ ፈንድ ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ብሰንኪ’ቲ ለበዳ ቆልዑ ዘኽቲሞም፣ ንብዙሓት ማሕበራዊ ጸገማት ዝተቃልዑ ከምዝገበሮም’ውን እቲ ትካል ሓቢሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8A%95%E1%88%85%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8C%BB%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%88%83%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8B%A8%E1%8B%95%E1%8A%95%E1%8B%8D-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5942846.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ሓድሽ ግጭት ምልዓሉ ኣብ ዝስመዓሉ እዋን ክደናጎይ ዝጸንሓ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ተዛዚሙ","content":"ኣብ ትግራይ ሓዱሽ ህውከት ምልዓሉ ይስመዓሉ ኣብ ዘለሉ እዋን ንሰለስተ ዓመት ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምፅናሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ፈላማዮም ዝኾነ ሃገራዊ ምርጫ ተኻይዱ ቆፀራ ድምፂ ይካየድ ምህላዉ ሰበስልጣናት ኢትዮጵያ ይገልፁ ኣለዉ ። ሰኑይ ቅድሚ ፀሓይ ምውፃኣ ኣቐዲሞም ነቲ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመታት ዝካየድ ዘሎ ምርጫ ድምፆም ንምሃብ ተሰሪዖም 'ዮም ። \"ናፃን ፍትሓውን ምርጫ\" ንምክያድ ፈላማይ ፈተነ ዝግበረሉ ምኳኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ተዛሪቦም ። ተናኜ መላኩ ዝተባህለ መራጺት \"ብሩህ መፃኢ ከምፀአልና ይኽእል እዩ ኢለ ዝኣመንኩሉ እየ ክመርፅ መፂኤ\"ትብል። ይኹን'ምበር ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ግና ብዙሓት መረፅቲ ተስፋ ክቆርፁ ጀሚሮም። ናቁጣታት ምርጫ ድምፂ መውሃቢ ወረቀት ተወዲኡ ንሰዓታት ትዓፅዮም ፤ ገሊኦም ድማ ኣፈፀምቲ ምርጫ ተሳኢኖም ክኽፈቱ ኣይከኣሉን ።ኣብ መላእ እታ ሃገር ብሚልዮናት ዝቁፀሩ ድምፆም ክህቡ ይፅበዩ ነበሩ ። ኤደን ሓጎስ ድማ ብዛዕባ ቲ መስርሕ ምርጫ ከምዚ ክትብል ርእይቶኣ ትህብ \"ኣነ ብጣዕሚ እዩ ሰልቺዩኒ ። ምናልባት እውን ከይመረፅኩ ክኸይድ ይኸውን እየ ክልተ ደቀይ ኣብ ገዛ ገዲፈዮም እየ መፂኤ ።\" ንፅባሒትኡ ሰሉስ ምሸት ሰበስልጣናት ምርጫ ተኸፊቶም ዝፀንሑ ኩሎም ጣብያታት ምርጫ ምቅባል ወረቐት ምርጫ ጠጠው ምባኦም ተዛሪቦም ። ካብቶም 547 መናብራት ቤት ምኽሪ ክልላት ምርጫ እቶም ሓደ ሕምሲት ዝኾኑ ኣየድመፁን ከምኡ'ውን ኣብ ክልል ኦሮምያ ክልተ ዓበይቲ ተወዳደርቲ ፖለቲካ ኣብቲ ምርጫ ኣይተሳተፉን ። ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ብምክንያት ፀጥታ እዋን ምርጫ ክናዋሕ ከሎ እቲ ንልዕሊ ሸውዓተ ኣዋርሕ ኲናት ዝካየደሉ ዘሎ ክልል ትግራይ ድማ መዓስ ምርጫ ከምዝካየድ'ውን ዝተታሕዘ ትልሚ የለን። ኪያ ጸጋይ ብዛዕባ'ዚ ከምዚ ይብል:: \"እዚ ህዝቢ ዝውክልዎ ተመረፅቲ ክህልዉዎ ግድን እዩ ። መሰሉ'ውን እዩ ። ዘይሩዘይሩ እዚ ህዝቢ እኮ ኣካል ኢትዮጵያ እዩ ብ ምዃኑ ተወከልቱ ኣብ ቤት ምኽሪ ፌደራል ክርኢ ይደሊ እዮ።\" ይኹን'ምበር እቶም 38 ካብ ትግራይ ክርከቡ ዝነበሩ መናብራት ቤት ምኽሪ ብዘይምምልኦም ንከይዲ ውፅኢት እቲ ምርጫ ዘተዓናቅፎ ኣይኮነን ። ውጽ ኢት ወግዓዊ ድሕሪ ምኳኑ መንግስቲ ክምስረት ይከኣል እዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ እዩ ይገልፅ ። እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ጎንፂ ንከባቢ 2 ሚልየን ሰባት ክመዛበሉን ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑፀሩ ድማ ዓዶም ገዲፎም ክስደዱ ምኽንያት ኮይኑ እዩ ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ቀረባ መዓልታት ድማ ኣብቲ ኸባቢ ሓዱሽ ህውከት ምልዓሉ ፀብፃባት ይሕብሩ ። ሕብረት ኣፍሪቃ ንኽስታት ጅምላ ቅትለታትን ፆታዊ ዓመፃትን መርመራ ምጅማሩ ፤ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት እታ ክልል ህዝቢ ብጥምየት ይሳቀ ምህላዉ ይገልፁ ኣለዉ ። ብሰኑይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ \"ኣብ ትግራይ ጥምየት የለን ኣብ ትግራይ ፀገም ተፈጢሩ ኣሎ መንግስቲ ድማ ከዐርዮ ይፍትን ኣሎ \" ምባሎም ዝዝከር እዩ ። ይኹን 'ምበር ኣብታ ኲናት ዘይብላን ብቅልጡፍ እናዓበየት ትመፅእ ዘላ ከተማ ኣዲስ ኣበባ'ውን እንተኾነ ሓደ ሓደ ተመረፅቲ ካብቲ ዝቅፅል መንግስቲ ብዙሕ ትፅቢት ከምዝግበር ይዛረቡ ። ተውፊቅ ዓብዱላሂ \" ቁጠባዊ ፀገም እዩ ዘለና ። ብዓል ክልተ ኣሃዝ ዝቅባበ እዩ ዘለና ። ስራሕ ዝሰኣነ ብዙሕ መንእሰይ ኣሎ ። ቀፃልነት ዘለዎን ስርዓት ዝሓዘን ዕድላት ስራሕ ንምፍጣር ክንፅዕር ይግባእ ። ነዚ ድማ ኣብዛ ሃገር ሰላምን ምርግጋኣትን ክፍጠር ኣለዎ። \" ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ውፅኢት ምርጫ ወግዓዊ ምዃኑ ኣብ መዝነቶም ክቅፅሉ እዩ ትፅቢት ዝግበር ። መረፅቲ ድማ ልዕሊ ኹሉ ሰላም ፣ ምርግጋኣት ፀጥታን ናህሪ ዋጋ ክቅንስን እዩ ድልየቶም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8B%93%E1%88%89-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%B5%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%89-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%8B%B0%E1%8A%93%E1%8C%8E%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%93-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%99\/5942818.html"} {"headline":"ቃለ መሕትት ምስ ናብ ኢትዮጵያ ዝበጽሓት ሪፖርተር ድምጺ ኣሜሪካ","content":"\"ኣብ ቶጎጋ ትግራይ ብሰንኪ ዝተፈጸመ ደብዳብ ብርክት ዝበሉ ከምዝቆሰሉን ከምዝሞቱን፣ ንዝወረደ መጥቓዕቲ፣ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል ዛጊት ከምዘይተረኸበ\" ተፈሊጡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ደብዳብ ከምዘይፍጽም ምግላጹ ሪፖርተርና ሂዘር ሞርዶክ ገሊጻ። ብመሰረት መሰኻኸር ዓይኒን ሰብ ሞያ ሕክምናን ደብዳብ ከምዝተፈጸመ፣ ብርክት ዝበሉ ከምዝሞቱን ከምዝቆሰሉን ተፈሊጡ ኣሎ ትብል ሪፖርተርና ሂዘር ሞርዶክ፣ ከምኡ'ውን መገዲ ከምዝተዓጸወን ኣምቡላንሳት ነቶም ኣብ’ቲ ደብዳብ ዝተጎድኡ ናብ ሆስፒታል መቐለ ከግዕዛ ከምዘይካኣላ ዘዘራረብኩዎም ሰባት ገሊጾምለይ እዮም ትብል ። ካልእ ዘይተዘርበሉ ነገር ኣሎ ትብል ወኪልና ሂዘር \"ሓንቲ ከተማ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ኣብ ኢድ ሰለስተ ሓይልታት ከምዝወደቀት፣ ነበርታ ስለዝፈርሑ ካብ ቤቶም ክወጹ ከምዘይኣሉ፣ ብርክት ዝበሉ ኣባይቲ ከምዝዓነውን ሰለስተ ሰባት ከምዝሞቱን ገሊጻ። ናብ’ቲ ደብዳብ ነፈርቲ ክመልሰኪ’ሞ፣ ኣብ ቶጎጋ ነቲ ደብዳብ መን ከምዝፈጸሞ ተፈሊጡ’ዶ ዝብል ሕቶ ዝቀረበላ ሂዘር ዝሃበቶ መልሲ፣ \"ኣይፋሉን። መን ከምዝፈጸሞ ኣይተፈለጠን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ደብዳብ ኣይንፍጽምን ኢሉ። እቲ ደብዳብ ግና ንተዋጋእቲ ህወሓት ዒላማ ዝገበረ እዩ ዝመስል። እንተኾነ፣ ነቲ ደብዳብ ባዕለይ እየ ፈጻሚኡ ዝበለ ኣካል ዛጊት የለን።\" ካልእ ንሂዘር ዝቀረበላ ሕቶ \"ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ፣ ኣብ ትግራይ ጥምየት የለን\"ኢሎም እዮም። ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላትን ግና ሰፊሕ ሕጽረት መግቢ ከምዘሎ ሓቢሮምና ኣለው። ስለዚ እቶም ቀ\/ሚ ስለምንታይ ከምኡ ከምዝበሉ ክተብርህልና’ዶ ምኻኣልኪ? ዝብል እዩ። ሂዘር \"ዝቃልሑ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ዝተጋነኑ እዮም፣ ናይ ወጻኢ ሚድያታት ኣንጻር መንግስቲ ጸግዒ ዝሓዘ ሓበሬታ’ዮም ዘቃልሑ ከምኡ'ውን ኣብ’ቲ ክልል ንዘሎ ሰብኣዊ ጸገማት የጋንንዎ ኣለው ዝብል ርእይቶ ኣብ አዲስ አበባ ሰሚዓ እየ። ቀ\/ሚ ኣብዪ ስለምንታይ ኣብ ትግራይ ጥምየት የለን ከምዝበሉ ግና ንርእሰይ ርግጸኛ ኣይኮንኩን።\" ሪፖርተር ድምጺ ኣሜሪካ ሂዘር ሞርዶክ እቲ ሓቂ ግና ኣብ ትግራይ ጥምየትን ድኽነትን ኣሎ፣ እዚ ንሰራሕተኛታት ረድኤትን ንጋዜጠኛታትን ንጹር እዩ። ሕጽረት እኽሊን ጥቃ ጥምየት ዝርከቡ ኣስታት 350 ሽሕ ሰባት ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዝጠመዩን ሰባት ኣለው ኢላ ። ናብ አዲስ አበባ ክመልሰኪ’ሞ፣ ሰባት ብዛዕባ’ቲ ሶኑይ ዝተሳለጠ ሃገራዊ ምርጫ ዘለዎም ግብረ መልሲ እንታይ ይመስል? ንሳ \"ሰባት ሕውስዋስ ርእይቶታት እዮም ዝህቡኻ። ተቃወምቲ ልዕሊ ክልተ ሚእቲ ጉድለታት ከምዝሰነዱ፣ ንኣብነት መድመጺ ካርድታትን ተዓዘብቲ ምርጫን ከምዝተሰወሩ፣ ምፍርራሕ ኣብ ልዕሊ ተዓዘብቲ ከምዝተፈጸመ ካብኡ ዝኸፍአ ካብ ዝተመደብሉ ነቁጣ ንክርሕቁ ከምዝተገደዱ ይጠቅሱ ኣለው። ኣብ አዲስ አበባ እቲ ምርጫ ብሰላም ብምዝዛሙ እፎይታ ዝተሰመዖም’ውን ኣለው። \" ሂዘር ሞርዶክ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት\"ውሑድ ዘይኮነ በዝሒ ዘለዎም ህዝቢታት ኣብ ምርጫ ከምዘይተሳተፉ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ። መስርሕ ምርጫ ናብ መስከረም ዝተማሓላለፈሎም ከባቢታት’ውን ኣለው። ኣብ ሙሉእ ትግራይ ምርጫ ኣይተካየደን። ክልተ ተቃወምቲ ፓርቲታት ካብ ክልል ኦሮምያ ድማ ካብ’ቲ ምርጫ ንርእሶም ኣግሊሎም እዮም\" ትብል። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%88%95%E1%89%B5%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%8C%BD%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%88%AA%E1%8D%96%E1%88%AD%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-\/5941705.html"} {"headline":"ኣብ ቶጎጋ ትግራይ ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ዝቆሰሉ ናብ ዓይደር ሆስፒታል ምእታው ምጅማሮም ተገሊጹ","content":"ኣብ ጥቓ ከተማ መቐለ ዝርከብ ቶጎጓ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ንዕዳጋ ኣብ ልዕሊ ዝወፀ ህዝቢ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቖሲሎም ሕክምና ንምርካብ ተኸኪሎም ዝነበሩ ሰባት ናብ መቐለ ሆስፒታል ዓይደር ምእታው ጀሚሮም:: ብኻልእ ወገን ድማ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኣውሮጳን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣሜሪካን፣ ነቲ ኣብ ዕዳጋ ቶጎጋ ትግራይ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ዝኹንን መግለጺ ኣውጺኦም።ውግእ ደው ንክብል'ውን ጸዊዖም። ማሕበር ቀይሕ መስቀል ብወገኑ በቲ ደብዳብ ንዝተጎድኡ ሰባት ናብ ሆስፒታል ዓይደር መቐለ ከምዝወሰዶም ገሊጹ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available (ገለ ምስሊታት ዘሰንብ ትሕዝቶ ዘለዎም ምዃኑ ንሕብር ) ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B6%E1%8C%8E%E1%8C%8B-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%98-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%89%86%E1%88%B0%E1%88%89-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%8B%AD%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%88%86%E1%88%B5%E1%8D%92%E1%89%B3%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8D-%E1%88%9D%E1%8C%85%E1%88%9B%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5941682.html"} {"headline":"ኩሎም ክልላት ዝርዝር ዝተዓወቱ ኣብ ክልተ መዓልታት ከምዘፍልጡ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ሓቢሩ","content":"ኩሎም ናይ ምርጫ ክልላት ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ኣብቲ ምርጫ ናይ ዝተውዓወቱ ዝርዝራት ከምዘፍልጡ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ኣብ ዕለት ምርጫ ዝነበሩ ብድሆታት ብዝምልከት እቲ ቦርድ ካብ ፖለቲካዊ ፓርትታት ብዙሓት ጥርዓናት ምቕባሉ አደ መንበር ቦርድ ምርጫ ወይዘሪት ብርቱኳን ሚደቅሳ ገሊፀን። ኣብ ክልል ኦሮሚያ ጉጂ ኣብ ዝርከብ ነጌሌ ናይ ምርጫ ክልል ድምፂ ከይወሃብ ተከልኪሉ እንተነበረ'ውን ኣብቲ እዋን ድምፂ ምውሃቡ ዝተዛረባ ወይዘሪት ብርቱኳን እቲ ጉዳይ ብሕጊ ስለዝርኣይ ኣብቲ ቦታ ዝተኻየደ ምርጫ ተቐባልነት የብሉን ኢለን ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A9%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8B%9D%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%88%E1%89%B1-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8D%8D%E1%88%8D%E1%8C%A1-%E1%89%A6%E1%88%AD%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5941570.html"} {"headline":"ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ሩስያን ኢትዮጵያን ኣብ ሞስኮ ሩስያ ተራኺቦም: ተዘራሪቦም","content":"ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን ትማሊ ረቡዕ ኣብ ሞስኮ ሩስያ ተራኺቦም:ተዘራሪቦም:: ብመሰረት ጸብጻብ ኣሶሴይትድ ፕረስ \"ሩሲያ ኣብ ሓባራዊ ረብሓታትና ምትሕብባርን ከም ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝኣመሰሉ ኣብ ዓለምለኸ ትካላት ምውህሃድን ክዓዝዝ ድልየት ኣለዋ’’ክብሉ ንምኽትልን ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን ገሊፆም ኣለው። ላቭሮቭ ብምውሳኽ ኣቶ ደመቀ መኮነን ብዛዕባ ኩነታት ኣፍሪቃን ሕብረት ኣፍሪቃን ክዛረቡ ምስምዖም ኣገዳሲ እዩ ኢሎም። ኣቶ ደመቀ ናብ ሩስያ ምኻዶም ክብሪ ከምዝስምዖምን ላቭሮም ምስኦም ንምርኻብ ግዜ ምፍቃዶምን ኣመስጊኖምዎም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%88%A9%E1%88%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9E%E1%88%B5%E1%8A%AE-%E1%88%A9%E1%88%B5%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/5941549.html"} {"headline":"መግለጺ ኦፌኮ ኣብ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ","content":"ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስ ኮንግረስ \/ኦፌኮ\/ ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ‘’ንኹሉ ዝሓቖፈ ናይ ሓባር መንግስቲ ክጣየሽን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ነፃን ፍትሓውን ምርጫ ክካየድን ኣለዎ’’ክብል ገሊፁ።ኣቦ መንበር እቲ ፓርቲ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ‘’ንኹሉ ዝሓቖፈ ሃገራዊ ናይ መረዳድኢ ልዝብ ክካየድ ኣለዎ’’ኢሎም ኣለው። ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ቤት ፅሕፈት ብልፅግና ፓርቲ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ታየ ደንድኣ ኣብ ዝሃቡዎ መልሲ \"ኦፌኮ ዘውፅኦ መግለፂ ነቲ ህዝቢ ንምፅራፍ እዩ ዝመስል’’ ኢሎም። ኣቶ ታየ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቡዎ ርእይቶ ብምውሳኽ ‘\"ልዝብ ቅድሚ ሎሚ ይካየድ ነይሩ ሕጂ እውን ክካየድ እዩ። ዳግም ምርጫ ምክያድ ዝበሃል ግን የለን’' ኢሎም ።ብዛዕባ መግለፂ ኦፌኮ ካብ ቦርድ ምርጫ ርእይቶ ንምርካብ ፈተና ይካየድ ምህላው ወኪልና ሓቢሩ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%89%B5%E1%8C%BA-%E1%8A%A6%E1%8D%8C%E1%8A%AE-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%BB%E1%8B%B5%E1%88%BB%E1%8B%AD-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/5941525.html"} {"headline":"ኮንቴነር ተርሚናል ወደብ በርበራ ስርሑ ምጅማሩ ተገሊጹ","content":"ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሳ ቢሂ: ላዕለዎት ልኡኻት ኢትዮጵያ ናይ ዲፒ ወርልድ ዳይሬክተር:ሱልጣን ቢን ሱለይማንን ኣብ ዝተረኸብሉ ናይ በርበራ ወደብ ናይ መጀመሪያ ዙር ፕሮጀክት ምስፍሕፋሕ ተመሪቑ ብዕሊ ስርሑ ምጅማሩ ፀብፃብ መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ(ኢዜኣ) ፀብፂቡ። ብዲፒ ወርልድ 51 ሚእታዊት፣ 30 ሚእታዊት ብሶማሊላንድ : 19 ሚእታዊት ድማ ብኢትዮጵያ ዝተታሓዘ እቲ ተርሚናል ናይ መጀመርያ ዙር መስፋሕፍሒ ፕሮጀክት 500 ሽሕ ኮንተይነራት ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ከምዘለዎ ተሓቢሩ ኣሎ። እቲ ጉጅለ ልኡኻት ናይ ኢትዮጵያ ሚኒስትር መጎዓዚያ ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ፣ ሚኒስተርገንዘብ ኣቶ ኣሕመድን ካልኦትን ይርከቡዎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%A0%E1%88%AB-%E1%8A%AE%E1%8A%95%E1%89%B4%E1%8B%AD%E1%8A%90%E1%88%AD-%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%88%9A%E1%8A%93%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%91-%E1%89%A5%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%88%9D%E1%8C%85%E1%88%9B%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5941511.html"} {"headline":"ሰበ ስልጣን ሕ\/ሃ ኣብ ቶጎጋ ትግራይ ዘተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዘሻቅሎም ገሊጾም","content":"ኣብ ዕዳጋ ቶጎጓ ትግራይ ትማሊ ሶሉስ ደብዳብ ነፈርቲ ተፈፂሙ: ሰላማዊያ ሰባት ኣቁሲሉን ቀቲሉንን ብዝብል ፀብፃብ ኣዝየ ተረቢሸ ክብሉ በዓል ስልጣን ሕቡራት ሃገራትሎሚ ረቡዕ ገሊጾም። ብዘይካ'ዚ፣ ዕጡቃት ሓይልታት ንመንገዲ ዓጽዮም ኣምቡላንስ ንዝተጎድኡ ግዳያት ናብ ማእከላት ሕክምና ንከይሓልፉ ምኽልካሎም’ውንምሒር ከምዘጨነቆምን ሓላፊ ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያትን ህጹጽ ሓገዛትን ራምሽ ራያኒንግሃም ኣፍሊጦም። ኩሎም ተዋጋእቲ ሓይልታት ኣብ ትሕቲ ዓለምለኸ ሕጊ ንዝተነጸሩ መምርሒታት ንከኽብሩ፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ደብዳብ ምፍጻም ብሃውሪ ምጥቃዕን ክልኩል ከምዝኾነ፣ ኣብ እዋን ወትሃደራዊ ስርሒት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ጉድኣት ንከየጋጥም ክሰርሑን፣ ዝቆሰሉ ሰባት ምሉእን ብዘይምድንጓይን ሕክምና ንክረኽቡን ክሕግዙ ጸዊዖም። ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲን ዝተጎድኡ ናብ ሕክምና ስለምንታይ ንከይሓልፉ ከምዝተኸልከሉን፣ ምሉእን ውጽኢታዊን መርመራ ንከካይዱን ንዓለምለኻዊ ሕጊ ዝጣሓሱ ናብ ፍርዲ ንከቅርቡን ፀዊዕም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B6%E1%8C%8E%E1%8C%8B-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B0-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%89%A5-%E1%8A%90%E1%8D%88%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%BB%E1%89%85%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/5940103.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ምሟቶም ናይ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም","content":"ኣብ ትግራይ ከተማ ቶጎጋ ትማሊ ሰሉስ ብዝተፈፀመ ደብዳብ ነፋሪት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉ ፀብፃባት ዜናን መሰኻኽር ዓይንን ገሊፆም። መሰኻኽር ከምዝበሉዎ ሓንቲ ነፋሪት ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዕዳጋ ቦምብ ደርቢያ ኣላ። ወታሃደራት ኢትዮጵያ ኣምቡላንሳት ናብቲ ከባቢ ከይኸዳ ምኽልካሎም ሰራሕተኛታት ጥዕና ገሊፆም ኣለው።ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ወታሃደራዊ ወሃቢ ቃል ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነ ነቲ ክሲ ብተዘዋዋሪ ከምዝመለሱዎ ፀብፂቡ ኣሎ። እቶም ኮሎኔል ነቲ መጥቓዕቲ ኣየረጋገፁን ወይ ኣሉታዊ መልሲ'ውን ኣይሃቡን። ደብዳብ ነፈርቲ ስሩዕ ወታሃደራዊ ስልቲ እዩ፤ሰራዊት ድማ ንስቪላት ዒላማ ኣይገብርን ክብሉ መሊሶም። ነበርቲ ግን ትማሊ ሰሉስ ኣብ ቀረባ መዓልታት ብኣንፈት ሰሜን ዋና ከተማ መቐለ ሓድሽ ውግእ ምጅማሩ ሓቢሮም። ሰራዊት ኢትዮጵያ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህወሓት)ካብ ስልጣን ንምውራድ ኣብ ሕዳር መጥቓዕቲ ካብ ዝፍኑ ትግራይ ኣብ ግጭት ጥሒላ ትርከብ።ሰራዊት ኤርትራ ኣንፃር ህወሓት ይዋግኡ ንዘለው ወታሃደራት ኢትዮጵያ ክሕግዙዎም ፀኒሖም እዮም። እቲ ውግእ ካብ ዝጅምር ብኣሽሓት ሰባት ተቐቲሎም ብሰንኪ እቲ ህውከት ኣስታት 2ሚሊዮን ሰባት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣለው ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:; No media source currently available (ገለ ምስሊታት ዘሰንብድ ትሕዝቶ ዘለዎም ምዃኑ ንሕብር ) ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B0-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%89%A5-%E1%8A%90%E1%8D%88%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%A5%E1%8B%93%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%91%E1%8C%B8%E1%88%A9-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%93%E1%8B%AD%E1%8A%92-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%8A%BB%E1%8A%BD%E1%88%AD-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D-\/5940090.html"} {"headline":"ተዓዛቢ ጉጅለ ሕ\/ኣፍሪቃ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብዘይካ ዘጋጠሙ ውሱናት ጸገማት ብሰላም ምዝዛሙ ገሊጹ","content":"ተዓዛቢ ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ካብ ዘጋጠሙ ውሱናት ፀገማት ወፃኢ ሰላማውን ተኣማንን ነይሩ ኢሎም ። እቲ ጉጅለ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝወፅኦ መግለፂ ውፅኢት ናይቲ ምርጫ ዘይቕበሉ ኣካላት እንተሃሊዮም እቲ ፀገም ብሕጋዊ ኣገባብ ክፈትሑ ሓቲቱ። No media source currently available መራሒ ጉጅለ ተዓዛቢ ዝኾኑ ፕረዚደንት ናይጀሪያ ነበር ኦሊሴጉን ኦባሳንጆ ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስ ኮንግረስ ካብቲ ውድድር ወፃኢ ብምዃኑ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ንብርክት ዝበሉ መናብር ብዘይተወዳዳሪ ድምፂ ከምዝተውሃበ ሓቢሮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ዘሎ ምክፍፋል ንምውጋድ ብህፁፅ ኣሳታፊ ዝኾነ ምይይጥን ሃገራዊ ዕርቅን ክገብር ሓቶቶም ኣለው:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%9B%E1%89%A2-%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%88%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%88%BB%E1%8B%B5%E1%88%BB%E1%8B%AD-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8A%AB-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%99-%E1%8B%8D%E1%88%B1%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%8C%88%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8B%9B%E1%88%99-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5940075.html"} {"headline":"መግለጺ ወሃቢ ቃል ሚ\/ጉ\/ወ ኣሜሪካን ካርተር ሰንተርን ኣብ ጉዳይ ኣብ አዲስ አበባ ዝሞተ ኣሜሪካዊ ተዓዛቢ ምርጫ","content":"ፌደራል ፖሊስ ጠንቂ ሞት ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ንምዕዛብ ከይዱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝዓረፍሉ ሆቴል ዝሞተ ኣሜሪካዊ ተፈጥሮኣዊ ምዃኑ ነቲ ምርመራ ዘካየደ ጳውሎስ ሆስፒታል ኣረጋጊፁ ኢሉ ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ናይ ካርተር ሰንተርብሃንደበታዊ ሞት ጆን ማርሽ ዝተሰምዖ ዓሚቕ ሓዘኑ ብምግላፅ ንስድርኡን ፈተውቱን ፅንዓት ተመኒዩ። እቲ ማእኸል ጆን ማርሽ ኣብ ካርተር ሰንተር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ምስኦም ይሰርሕ ከምዝነበረ ሓቢሩ ኣሎ ። እቲ ማእኸል ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ጆን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከምኡ'ውን ኣብ ዓለም ንሰብኣዊ መሰላት፣ፍትሕን ዴሞክራስን በሊሕ ተሓላቒ ነይሩ ይብል ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይስ ሞት ኣሜሪካዊ ዜጋ ዘሕዝን እዩ ኢሎም ብምግላፅ ንክብሪ ስድርኡ ክብሃል ዝርዝር ሓበሬታ ምሃብ ኣየድልን ኢሎም። ንናይ ኢትዮጵያ ምርጫ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቡዎ ርእይቶ ድማ እቲ ምርጫ ኣብታ ሃገር ንዝቕፀለ ግጭት ዝፈትሕ ኣይኮነን ኢሎም።ልዝብ፣ምትሕብባር ከምኡ'ውን እንካሃባ ዘለዎ ሰፊሕ ፖለቲካዊ መስርሕ የድሊ ኢሎም።ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካኩሎም ኢትዮጵያዊያን ዲሞክራሲ ዘሐይልን ናይ ብሄራትን ማሕበረሰባዊ ግጭታትን ንምፍታሕን ዝሕግዙ ሓቋፊ ፖለቲካዊ ልዝብ ክካየድ ቅሩባት ክኾኑ ፀዊዖም ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A2-%E1%89%83%E1%88%8D-%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%88%AD%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8B%9D%E1%88%9E%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%9B%E1%89%A2-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-\/5940061.html"} {"headline":"ኣብ ትግራይ ሓድሽ ጎንጺ ኣብ ዘለሉ እዋን ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ተዛዚሙ","content":"ከተማ ዓዲግራት፣ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ኢድ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ትወድቅ ዘላ ተረኛ ከተማ ኮይና ከምዘላ ተገሊጹ። ፈለማ ኣብ ኢድ ሰራዊት ፈደራልን ሰራዊት ኤርትራን ዝነበረት ዓዲግራት፣ኣብዚ ቀረባ ናብ ኢድ ሰራዊት ትግራይ ኣትያ ከምዝነበረት፣ ሎሚ ተመሊሳ ኣብ ኢድ ሰራዊት ኤርትራ ከምትርከብ ንምንጭታታ ዝጠቀሰት ሪፖርተር ድምጺ ኣሜሪካ ሂዘር ሞርዶክ ካብ አዲስ አበባ ሓቢራ። ካብ ሕዳር ንነጀው ኣብ ዘሎ ጊዜ ሓሙሽተ ውግኣት ዝተካየደላን መዋስንቲ ዓዲግራት ዝኾነትን ሓውዜን ብተደጋጋሚ ኣብ ኢድ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ወዲቃ ከምዝነበረት ኣብ’ዚ ቀረባ ምግላጽና ዝዝከር እዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%88%89-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%99\/5940036.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜን ትግራይ ዝጸንሓ መዓስከር ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ደቡብ ትግራይ ምስግጋሩ ይገልጽ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዘጋጠመ ኲናት ስዒቡ ኣብ ሰሜን ትግራይ ዝጸንሓ መዓስከር ስደተኛታት ናብ ደቡብ ትግራይ ካልኦት ከባቢታት ትግራይን ይዘዋወሩ ምህላዎም መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቢሩ ። ብምኽንያት እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ዝወረደ ጉድኣት ኣብ ቀረባ ብቁፅሪ ንምቅማጥ ከምዝፍትን ትካል ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ገሊፁ ። ይኹን 'ምበር ዋላ እኳ እቲ ዝወሃቦም ዝነበረ ሓገዝ እንተዘይጎደለ ምስቲ ኣብ ትግራይ ይካየድ ዘሎ ኲናት ተተሓሒዙ እቶም ስደተኛታት ስግአቶም ይውስኽ ምህላዉ ዳይሬክተር ትካል ስደተኛታት ተመለስቲ ስደትን ኣቶ ተስፋሁን ጎበዛይ ተዛሪቦም ። ብኻልእ መዳይ ጉዳይ ስደተኛትታ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2020 ዓ\/ም ኣብ መላእ ዓለም ብዝለዓሉ ጎንፅታት ምኽንያት ቁጽሪ ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ብዝሒ ስደተኛታት 82.4 ሚልየን ምዃኑ የመልክት ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%93-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%B5%E1%8A%A8%E1%88%AD-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8C%8D%E1%8C%8B%E1%88%A9-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%BD\/5938739.html"} {"headline":"ፀብፃባት ምርጫ ኢትዮጵያ","content":"ኣብ መላእ ክልል ሲዳማን ዝተወሰኑ ጣቢያታት ክልል ጋምቤላን ሎማዕንቲ ድምፂ ከምዝተውሃበ ቦርድ ምርጫኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።ትማሊ ዝተኻየደ ምርጫ ብዘይካ ኣብ ክልተ ጣቢያታት ኣብ ኩሎም ከባቢታት ብሰላም ምዝዛሙ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።ኣብዝተኻየደሎም ኩሎም ከባቢታት ምቑፃር ድምፂ ይዛዘም ከምዘሎ እውን ገሊፁ። ብኻሊእ ዜና ምርጫ ንምዕዛብ ናብ ኢትዮጵያ ዝመፀ ኣሜረካዊ ኣብ መደቀሲኡ መይቱ ከምዝተረኸበ ፖሊስ ገሊፁ። ንምሉእ ፀብፃብ ምርጫ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/today-election-resume-in-some-parts-of-ethiopia\/5938710.html"} {"headline":"ሓድሽ ሪፖርት ሕ\/ሃ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ከቢድ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ምፍጻሙ ይከስስ","content":"\"መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ውግእ ናይ ትግራይ ተሳቲፉ ጥራሕ ዘይኮነ ከበድቲ መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ትግራይ ዕቁባ ዝሓተቱ ኤርትራዊያን’ውን ፈጺሙ\" ክብል ናብ ኮምሽን ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝቀረበ ሪፖርት ከሲሱ። ፍሉይ ራፖርተር ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ መሓመድ ዓብደልሳለም ባቢከር፣ ዋላ’ውን ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ኣብ ዘንበረት ጉጅለ ኣባል እንተነበሩ፣ ነቲ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ይነጥፍሉ ዘለው ስራሕ ሓድሽ እዮም። ነዚ ሓላፍነት’ዚ ካብ ዝርከቡ ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ዘሎ ጊዜ ኣብ ዘቅረብዎ ፈላማይ ሪፖርቶም ግና \"ውቅዒት\" ኣየዕረፉን። ብዛዕባ’ቲ ኣብ ውሽጢ ግዛኣቱን ኣብ ስግር ዶብን ከበድቲ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዛዕባ ዝፍጽም ዘሎ መንግስቲ ግና ሕማቅ ሪፖርት ኣቅሪቦም እዮም። መሓመድ ባቢከር ከምዚ ኢሎም \"ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ምምሕያሾም ዝሕብሩ ወይ ንምምሕያሽ ዝተወሰዱ ስዳሮታት ንምህላዎም ዝሕብሩ ምልክታት የለውን። ብተወሳኺ፣ ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ስግር ዶብ ወሲዳቶ ኣላ። ኣብ ትግራይ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺማ ኣላ።\" ባቢከር ኣብ ዘቅረብዎ ሪፖርት ወትሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ አብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ብፍላጥ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ፣ ብጅምላ ከምዝቀተሉ፣ ብጾታ ከምዘነወሩን ከምዘጥቅዑን ዝሕብሩ ክስታት ከምዝበጽሖም ጠቂሶም። ሚስተር ባቢከር ወሲኾም \"ወትሃደራት ኤርትራ፣ ንኤርትራዊያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዕቁባን ከምዝጨወዩን ከምዝሰወርዎምን\" ሓቢሮም። ወትሃደራት ኤርትራ፣ ነቶም ኣብ ትግራይ ተደኹነን ዝነበራን ንልዕሊ 25 ሽሕ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣዕቁበን ዝነበራ መዓስከራት ስደተኛታት ሕጻጽን ሽመልባን ኣዕንዮምወን ዝብል ሪፖርት ኣዝዩ ከምዘሻቀሎም ባቢከር ጠቂሶም፣ \"ሰበ ስልጣን ኤርትራ ሰራዊቶም ካብ ትግራይ ንከውጽኡ፣ ሃለዋት እቶም ዝተሰወሩ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ሓበሬታ ንክህብን ዝተታሓዙ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ንክፈትሕ ይጽውዕ ኣለኹ።\" ንውሽጣዊ ኩነታት ኤርትራ ኣመልኪቶም ሚስተር ባቢከር ኣብ ዘቅረብዎ ሪፖርት ክጠቅስዎ ዝኽእሉ እንኮ ኣዎንታዊ ምዕባለ፣ ብዘይ ፍርዲ ገሊኦም ንልዕሊ 20 ዓመታት ተኣሲሮም ዝነበሩ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ኣመንቲ ምስልምና፣ ኦርቶዶክስን መሰኻኽር የሆዋን ምፍተሖም እዩ ኢሎም። መንግስቲ ኤርትራ ንኩሎም እቶም ኣብ ትሕቲ ሰብኣዊነት ዘይብሉን ሃለዋቶም ኣብ ዘይተፈለጠን ኩነታት ፖለቲካዊን ሕልናዊን እሱራት ንክፈትሖም ተማሕጺኖም። ንሪፖርት ፍሉይ ራፖርተር ባቢከር ግብረ መልሲ ዝሃቡ ኣምባሳደር ተስፋማርያም ገራህቱ፣ ንህላወ ወትሃደራት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ዝጠቀስዎ ነገር የለን። አምባሳደር ተስፋማርያም ነቲ ሪፖርት ብምንጻግ፣ ፖለቲካ ኮይኑ ኢሎምዎ። ንስልጣን እቶም ፍሉይ ራፖርተር ኣብ ትሕቲ ሕቶ ኣእትዮሞ፣ እቲ ቤት ምኽሪ ንስራሕ’ቶም ፍሉይ ራፖርተር ከቋርጾ’ውን ሓቲቶም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%88%AA%E1%8D%96%E1%88%AD%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A8%E1%89%A2%E1%8B%B5-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%83%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%8C%BB%E1%88%99-%E1%8B%AD%E1%8A%A8%E1%88%B5%E1%88%B5-\/5938703.html"} {"headline":"ቆጸራ'ቲ ንነዊሕ ዝተጓተተ ምርጫ ኢትዮጵያ ይካየድ ምህላው ተገሊጹ","content":"ቆጸራ ድምጺ እቲ ንነዊሕ ጊዜ ዝተጓተተ ፓርላሜንታዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ይካየድ ከምዘሎን፣ ንናይ ሎም ዘበን ምርጫ \"ፈላማይ ፈተነ ንናጻን ርትዓዊን ምርጫ’ ኢሎም ንዝገለጽዎ ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ዓብዪ ፈተና ከምዝኾነ ተገሊጹ። ትማሊ ሶኑይ ድምጾም ዝሃቡ ቀ\/ሚ ኣብዪ፣ ካብ ነዊሕ ዝጸንሓ ምልካዊ ስርዓት መሰጋገሪ ከምዝኾነ ጠቂሶም: እንተኾነ እቲ ኣብ ትግራይ ዝቀጸለ ውግእን ናይ ምርጫ ጉድለትን፣ ብዛዕበኦምን ብዛዕባ ፓርቶምን ሻቅሎታት ኣበጊሱ ኣሎ። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝራኣይ ፖለቲካዊ ሃዋሁን ተቃወምቲ ፓርቲታት ንገዛኢ ፓርቲ’ታ ሃገር ዝኸስዎ ምፍጣር ጸገማት፣ ምቁጽጻር ድምጺን ምፍርራሕን ዓለምለኻዊ ስክፍታ ፈጢሩ ኣሎ። መራሒ ኢዜማ ዶ\/ር ብርሃኑ ነጋ \"ኣብ ክልል ኣምሓራን ኣብ ደቡብን፣ ዝተዓዘብናዮ ጸገም ኣሎ፣ ሰኒድና ኣቅሪብና ኣለና\" ከምዝበሉ ዝመጸና ዜና ጠቂሱ። ካብ 547 ነቁጣታት ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሚእቲ ነቁጣታት ምርጫ ኣይተካየደን። ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ውግእ ምርጫ የለን። መዓስ ከምዝፍጸም’ውን ኣይተፈለጠን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%86%E1%8C%B8%E1%88%AB-%E1%89%B2-%E1%8A%95%E1%8A%90%E1%8B%8A%E1%88%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%93%E1%89%B0%E1%89%B0-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9-\/5938676.html"} {"headline":"ናይ ኢትዮጵያ ምርጫ መረጽቲ ድምጾም ብናጽነት ዝሃብሉ'ዩ ክብል ሓደ ጉጅለ ተዓዘብቲ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ","content":"ናይ ኢትዮጵያ ምርጫ፣ መረጽቲ ድምጾም ብናጽነት ዝሃብሉ እዩ ክብል ተጠባባቂ ሓይሊ ጉጅለ ተዓዘብቲ ምብራቅ ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ። እቲ ጉጅለ ኣብ ዝዘርገሖ ቅድመ ሪፖርት \"መብዛሕተኦም ነቁጣታት ምርጫ፣ ሰላማዊን ዝተረጋግአን መስርሕ ነይርዎም\" ይብል። እቲ 28 ኣባላት ዝሓቆፈ ጉጀለ ተዓዘብቲ ንኣባላቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት’ታ ሃገር ከምዘዋፈረ ጠቂሱ: ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ኦሮምያ፣ ዓፋር፣ ሲዳማ፣ ደቡብ ከምኡ'ውን ኣብ ድሬዳዋን አዲስ አበባን ነቲ ምርጫከምዝተዓዘበ ኣፍሊጡ ኣሎ። መራሒ’ቲ ጉጅለ ኣምባሳደር ኦሌድ ዓሊ \"እቶም ተዓዘብቲ ኣብ ዝራኣዩወን ከባቢታት፣ መረጽቲ ብናጽነትን ብዝሃድአን ኩነታት ድምጾም ሂቦም፣ እቶም ተዓዘብቲ ቅድሚ ምኽፋት ነቁጣታት፣ ኣብ እዋን ምርጫ፣ ድሕረ ምርጫን መስርሕ ምቁጻር ድምጺን ከምዝተዓዘቡ\" ገሊጾም። 190 ነቁጣታት ምርጫ ከምዝተዓዘቡ ዝገለጹ ኣምባሳደር ኦሌድ፣ 19 ነቁጣታት ብሰንኪ ቀረባት ኣብ እዋኑ ዘይምብጻሕ ደንጉዮም ከምዝተኸፈቱ ተመልኪቱ ኣሎ’ኢሎም። ተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ተዓዘብቲን መረጽቲን ጎሊሁ ከምዝተራኣየ፣ ኣብ ትግባረ መምርሒ ኮቪድ 19 ጸገማት ይራኣዩ ነይሮም፣ ብሓፈሽኡ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ፣ ሰላማዊ፣ ህዱእን ብናጽነት ዝተሳለጠን እዩ ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%88%98%E1%88%A8%E1%8C%BD%E1%89%B2-%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BE%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%8A%93%E1%8C%BD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%83%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8B%A9-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%98%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%89%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5938639.html"} {"headline":"አዲስ አበባ: ኣሜሪካዊ ተዓዛቢ ምርጫ ሞይቱ ከምዝተረኸበ ተገሊጹ","content":"ኣሜሪካዊ ተዓዛቢ ምርጫ፣ ኣብ አዲስ አበባ ሞይቱ ከምዝተረኸበ ተገሊጹ። ፖሊስ’ታ ሃገር ዝሃቦ ሓበሬታ \"ኩነታት ኣብ ሆቴል ራዲሰን ብሉ ሞይቱ ዝተረኸበ ኣሜሪካዊ ተዓዛቢ ምርጫ ይጻረ ከምዘሎ\" ጠቂሱ ኣሎ። ወሃቢ ቃል ፖሊስ ፋሲካ ፋንታ ንመሓውራት ዜና’ታ ሃገር ከምዝገለጾ \"ኣብ ጁባ’ቲ ኣሜሪካዊ ዝተፈላለዩ መድሓኒታት ከምዝረኸበን፣ ምናልባሽ’ውን ብተፈጥሮኣዊ ኩነታት ዓሪፉ ክኸውን ከምዝኽእል ግን ይምርመር ከምዘሎ\" ሓቢሩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%9B%E1%89%A2-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B1-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%A8%E1%8A%B8%E1%89%A0-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5938619.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስኮሮና ተናዊሑ ዝጸንሓ ሃገራዊ ምርጫ ሎሚ ተኻይዱ","content":"ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ኢትዮጲያ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ተናዊሑ ዝፀንሐ ምርጫ ሎሚ ሶኑይ ተኻይዱ ። ኢትዮጵያውያን እዋን ስልጣኖም ተናዊሑ ዝፀንሐ ወከልቲ ሃገራዊ ቤት ምኽርን ክልልን ንምትካእ ድምፆም ሂቦም ። ካብቶም 547 ክልላት ምርጫ ኣብቶም 478 ጣብያታት ምርጫ'ዩ ተከፊቱ ። ኣብ ክልል ትግራይ ብምኽንያት ይካየድ ዘሎ ኲናትን ምዝንባላት ህዝብን ፣ ኣብ ክልላት ሶማሌን ዓፋርን ብዘሎ ዝተወሰነ ዘይምርግጋኣት ከምኡ'ውን ኣብ ከባቢታት ምዕራብ ኦሮሞን ቤንሻንጉል ጉሙዝን ብዘሎ ዓሌታዊ ጎንፅታት ስዒቡ ምርጫዘይተኻየደሎም ከባቢታት እዮም ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ነቲ ምርጫ ንፈለማ እዋን ዝተኻየደ ነፃን ፍትሓውን ምርጫ ክብሉ ይገልፅዎ ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ መረፅቲ ካብ ወጋሕታ ጀሚሮም ኣብ ናቁጣታት ምርጫ ምርኻቦም ገለ ኑቑጣታት ኣብ ጊዚኣን ከምተኸፍታ ገለ ግን ድማ ደንጉዮም ምኽፋቶም ተገሊፁ ። ኣብ ጣብያታት ምርጫ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝመረፃ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ እዚ ምርጫ ካብቶም ዝሓለፉ ብዝሐሸ መልክዑ ዴሞክራሲያዊ ከምዝኸውን ዘለወን ተስፋ ገሊፃን ። ኣቦ መንበር ፓርቲ ኢዜማ ፕሮፊሴር ብርሃኑ ነጋ ኣብዛ ሃገር እቲ ፈላማይ ብትክክል ዝተኻየደ ምርጫ እዚ እዩ ኢሎም ። ውፅኢቱ እንታይ ከምዝኸውን ክንፅበ ኢና ክብሉ ንሪፖርተራት ገሊፆምሎም ። ኣቦ መንበር ተዓዛባይ ምርጫ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃን ፕረዚደንት ናይጄሪያ ነበርን ኦሊሴንጎ ኦባሳንጆ ምርጫ ኢትዮጵያ 2021 ክንድቲ ዝድላዩ ኣማሊኡ'ዩ ኢሎም። ንሶም ሎሚ ኣብ ሓደ ጣብያ ምርጫ ተረኺቦም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ \"እዚ ምርጫካብቶም ቅድም ኢሎም ዝተኻየዱ ተሳተፍቲ ኣብ ምዕዳም ዝሐሸ ምንባሩ\" ተዛሪቦም። ኣደ መንበር ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ቡርትኳን ሚደቅሳ ብዛዕባ ከይዲ ቆፀራ ድምፅን ዝነበሩ ሓደሓደ ዕንቅፋታት ኣመልኪተን ንጋዜጠኛታት መግለጺ ሂበን:: ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫካብ ወጋሕታ ጀሚሩ ብሰላማዊ መንገዲ ዝተሳለጠ ኮይኑ ኣብ ሓደሓደ ጣብያታት ምርጫ ግና ሕፅረታት ወረቀት ምርጫ ብምግጣሙ መረፅቲ ድምፆም ከይሃቡ ክምለሱ ኺኢሎም ክብሉ ንንድምትሲ ኣሜሪካ ሓቢሮም። ሓደሓደ ተወዳደርቲ ፖለቲካ \"ብምኽንያት ሕፅረት ቀረብ ዜጋታት ናይምምራፅ መሰሎም ተኸሊኦም \" ኢሎም። ኣደ መንበር ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ብርቱኳን ሚደቅሳ ብወገነን ኣብ ኩሉ ከባቢ ንዘጋጠመ ሕፅረታት ቀረብ ይቅሬታ ሓቲተን መአረምታ ክውሰድ ምዃኑ ኣፍሊጠን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%88%88%E1%89%A0%E1%8B%B3-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%89%B0%E1%8A%93%E1%8B%8A%E1%88%91-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%93-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/5937319.html"} {"headline":"20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ተዘኪሩ","content":"ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብሩ ኤርትራውያን ን20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ብዝተፈላለዩ መደባት ዘኪሮም።ብድሮ ኣብ ኣብያተ ክርስትያንን መሳጊድንፍትሓተ ጸሎትን ደረስን ዱዓን ተኻይዱ። ሰንበት ንግሆ ኣብ ኣስመራ መካነ መቓብር ሓርበኛታት ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ናይ ዝኽሪ መደብ ፕ\/ኢሳይያስ ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ኣኽሊል ዕምባባ ኣንቢሩ።እቲ ናይ ዝኽሪ መድብ ቕጥዕታት መከላከሊ ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዝነበረ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ጸብጺቡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%8A%90-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%88%B0%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%8A%AA%E1%88%A9\/5937384.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ኹናት ኣብ ዝካየድሉ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ 'ነጻን ፍትሓዊን' ዝበሎ ምርጫ አካይዱ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ኲናት ይካየድ ኣብ ዘለሉ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ \"ፈላማይ ነፃን ፍትሓውን \" ኢሉ ዝፀወዖ ምርጫ ኣካይዱ። ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሎሚ ሰኑይ ክመርፁ እዒሎም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%B9%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5%E1%88%89-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%90%E1%8C%BB%E1%8A%95-%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%93%E1%8B%8A%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%8E-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/5937336.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ኣብቲ ሎሚ ዝተኻየደ ምርጫ 37 ሚልዮን ሰባት ድምጾም ንምሃብ ብቑዓት ኮይኖም ምርኻቦም ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ሎሚ ሶኑይ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ልዕሊ 37 ሚሊዮን ኣድመፅቲ ድምፂ ንምሃብ ብቑዓት እዮም ተባሂሎም። መረፅቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ታሪኻዊ ምርጫ ኢሎም ኣብ ዝፀውዕዎ ንሰላምን ዝሓሸት ኢትዮጵያን ንምርኣይ ተስፋ ከምዘለዎም ገሊጾም። እየሩሳሌም መሸሻ ዝተባህለት ነባሪት እዚ ምርጫ ንኢትዮጵያ ወሳኒ እዩ ትብል።ኩሉ ነገር ድሓን ክኸውን እዩ ድሕሪ እቲ ምርጫ ድማ ሰላም ክሰፍን ተስፋ ኣለኒ ትብል። ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ገዛኢ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ፓርላም ዝበዝሕ ድምፂ ክረክብ ትፅቢት ይግበር። 44 ዓመት ዝዕድሚኦምን ተዓዋታይ ናይ ሰላም ሽልማትን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ እዚ ናይ ኢትዮጵያ ምርጫ \"ፈላማይ ፈተነ ነፃን ሚዛናውን ምርጫ እዩ’’ ኢሎምዎ ኣለው። እንተኾነ ግን ናይ ሎሚ ዘመን ምርጫ ብምክልባት፣ ብምፍርራሕን ኣብ ትግራይ ብዝቐፀለ ግጭትን ንገዛኢ ፓርቲ ብምኽሳስ ገለ ፍሉጣት ተቓወምቲ ፓርትታት ነቲ ምርጫ ተሓሲሞምዎ እዮም። ብኻልእ ዜና ስዓት 12 ክዕፀው ዝነበሮ ምሃብ ድምፂ ክሳብ ምሸት ስዓት ሰለስተ ምንውሑ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ኣብ መስርሕ ምሃብ ድምፂ ብዝተፈጥሩ ምድንጓያት ስዒቡ እዩ እቲ ናይ ምንዋሕ ስጉምቲ ምውሳዱ'ቲ ቦርድ ምርጫ ሓቢሩ። ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፣ፖለቲካዊ መራሕትን ደገፍትን ኩሎም ኣድመፅቲ ብነፃን ሰላማውን ኣገባብ ምምራጾም ክረጋገጽ ከምዘለዎም ናይ ሕቡራት ሃገራት ዋና ፀሓፊ ኣንትዮኒዮ ጉተረዝ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣተሓሳሲቦም። ንወሃቢ ቃል ናይቶም ዋና ፀሓፊ ስቴፈን ዱጃሪክ ዝጠቐሰ መግለፂ እቶም ዋና ፀሓፊ እዚ ምርጫ ዝካየድ ዘሎ ኣብ ፈታኒ ፖለቲካውን ፀጥታውን ሃዋህው እዩ ኢሎም። ኩሎም ሰብ እጀታ ኣካላት ካብ ህውከት ወይ ፅልኢ ዘለዓዕል ተግባራት ክዕገሱ ፃውዒት ኣቕሪቦም ኣለው።መራሕትን ኣብቲ ምርጫ ይሳተፉ ዘለው ተሳተፍትን ማሕበራዊ ምትእስሳር ንምሕያልን ናይ ፅልኢ መደረ ክወግዱን ክሰርሑ እቶም ዋና ፀሓፊ ኣተባቢዖም።እቶም ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ይኹን ናይ ምርጫ ምስሕሓብ ብልዝብን ዝተቐመጡ ናይ ሕጊ ኣገባባትን ክፍትሑ ኣስሚሮምሉ ኣለው ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ካብ ንጉሆ ጀሚሮም ድምፆም ከምዝሃቡ መረፅቲ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቦም። ድሕሪ ቀትሪ ግንናይ መረፅቲ ድምፂ መውሃቢ ወረቐት ሕፅረት ስለዝተፈጥረ ንምምራፅ ናብ ድምፂ መውሃቢ ማእኸላት ዝመፁ ኣድመፅቲ ድምፂ ከይሃቡ ከምዝተመልሱ ሓቢሮም። ንድምጺ ኣሜሪካ ቃሎም ዝሃቡ ተወዳደርቲ ፓርትታት \"በሰንኪ ሕፅረት መውሃቢ ድምፂ መሰል ዜጋታት ተደሪቱ ኣሎ’’ክብሉ ንቦርድ ምርጫ ኣተሓሳሲቦም። አደ መንበር ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ወይዘሪት ብርቱኳን ሚደቅሳ ሽም ሃዋሳ እንተዘይጠቐሳ ብዝተፈጥረ ሕፅረት ቀረብ ናውቲ ይቕሬታ ብምሕታት ናይ መአረምታ ስጉምቲ ክውሰድ እዪ ኢለን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B0-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-37-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BE%E1%88%9D-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%83%E1%89%A5-%E1%89%A5%E1%89%91%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%8A%AE%E1%8B%AD%E1%8A%96%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%BB%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5937282.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ኹናት ካብ መንበሪኦም ዝተፈናቐሉ ንቁጠባዊን ማሕበራዊን ቀውሲ ይቓልዑ","content":"‘ሕቡራት ሃገራት ንመዓልቲ ስደተኛታት ኣፍልጦ ኣብ ዝህበሉ ዕለት፣ ኣብ ትግራይ ዘለዋ ስድራ ቤታት ግና ካብ ውግእ ንክሃድማ ዝግደዳ፣ ብሰንኪ’ቲ ይቅጽል ዘሎ ውግእ ንሰፊሕ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ጸገም ዝተቃለዓ ኮይነን ኣለዋ’ ትብል ናብ ሽረ ዝኣተወት ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ሂዘር ሙርዶክ። ኣብ ናይ ሽረ ካምፕ ተፈናቀልቲ፣ ስድራ ቤታት ኣቅሑቶም ቅልጥፍ ቅልጥፍ እናበሉ ይኣስሩ ግን ክሳዕ ክንዲ’ቲ ብዙሕ ኣቁሑ ኣይሓዙን። ብሰንኪ ውግእ ካብ ከባቢኦም ክወጹ ከለው ንመብዛሕትኡ ኣቑሕቶም ገዲፎም እዮም ተፈናቂሎም። ኣብ’ታ ከተማ ዘለው ወትሃደራት እንተኾኑ \"እቶም ተፈናቐልቲ ተዓቑቦምሉ ዘለው ዩኒቨርስቲታት ክኽፈታ ኣለወን፣ እቶም ተፈናቀልቲ ብህጹጽ ክወጹ ኣለዎም\" ይብሉ። ባጃጅ ብዝሓሰረ ዋጋ ሰባት ካብ’ታ ከተማ ናብ ቁሩብ ውጽእ ኢሉ ዘሎ መዓስከር ተፈናቀልቲ የመላልሳ። ሓንቲ ካብ’ተን ተፈናቀልቲ ኪዳን ወልደማርያም ከምዚ ትብል \"ቅድሚ ሓደ ወርሒ ንክንወጽእ ነጊሮምና። ካብኡ ንዳሓር መዓልታዊ እናተመላለሱ ውጹ ይብሉና ኣለው። እቲ ናይ ሎሚ ፍልይ ዘብሎ ነገር ግና ሓይሊ ምጥቃም ምጅማሮም እዩ።\" ነቲ ስፍራ ዝራኣዩ ሰበ ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ግና ይስራሕ ዘሎ ሓድሽ መዕቆቢ ተፈናቀልቲ ስለዘይተዛዘመ ካብ’ቲ ዩኒቨርስቲ ውጹ ምባል ርትዓዊ ኣይኮነን ይብሉ። ይኹንምበር፣ ኣብ’ቲ ከባቢ ንዝርከቡ ሓይልታት ዝብልዎ ተቀቢሎም እቶም ተፈናቀልቲ ንመምርሒ እቶም ወትሃደራት ንክትግብሩ ነጊሮምዎም እዮም። ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 80 ሚልዮን ሰባት ካብ መንበሪኦም ብሓይሊ ተፈናቂሎም ኣለው ተባሂሉ ይግመት። ኣስታት 60 ሚእታዊት ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ዝሳቀዩን ብሰንኪ ውግእ ብተደጋጋሚ ንክሃድሙ ዝተገደዱ እዮም። ኣብ ትግራይ፣ ብርክት ዝበላ ስድራ ቤታት ብሰንኪ ውግእ ተበታቲነን እየን። 2 ሚልዮን ተጋሩ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተበቲኖም ልዕሊ 60 ሽሕ ድማ ዶብ ሰጊሮም ኣብ ሱዳን ኣዕቁቦም። ተፈናቃሊት ኣደ ኣለም በላይ ከምዚ ትብል \"ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ንሱዳን ተሰዲዶም እዮም። ኣነ ግና ነብሰ ጾር ስለዝነበርኩ ክሳዕ ክንድኡ ርሒቀ ክጓዓዝ ኣይካኣልኩን ነይረ። ኣነ ምስ ሃደምኩ ባዓል ቤተይ ተኣሲሩ፣ ጥሪትና ተዘሚተን\" ትብል። ንሳ ወሲኻ ኣርባዕተ ቆልዑ ኣብ መዓስከር ምዕባይ ዘይሕሰብ ከምዝኾነ ብካልእ ወገን ንገዝኣ ምምላስ ፈጺምካ ዘይካኣል ከምዝኾነ ትዛረብ። ኣብ ልዕሊ’ዚ ቃንዛ’ዚ፣ ቁጠባ’ቲ ከባቢ ተጎዲኡ ኣሎ። ከተማታት ብተፈናቀልቲ ኣዕለቅሊቆም፣ ሓረስቶት ኣይዘርኡን ኣእካል ይቦቅሉ የለውን። ተፈናቃላይ ሓረስታይ በላይ ኣበራ \"ስቡሕ መሬት ዘለዎን መሸላ ዝዘርእን ሓረስታይ እየ ነይረ። ሎሚ ግን ቅድሚ ናይ ሕርሻ ወቅቲ ናብ’ዚ ተፈናቂለ፣ ጥራሕ ኢደይ ኣለኹ።\" ብመሰረት ሕቡራት ሃገራት ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ብደረጃ ዓለም ብዝሒ ተገዲዶም ዝተፈናቀሉ ሰባት ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ብዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ። ኣብ ትግራይ’ውን ብተመሳሳሊ እቲ ዝዝሒ ይውስኽ ከምዘሎ ናይ’ቲ ከባቢ ሰባት ይዛረቡ። አብ ትግራይ ዝሓለፈ ሕዳር ውግእ ዝተወለዐ ሰራዊት ህወሓት ንወትሃደራዊ መዓስከር ኣብ ትግራይ ድሕሪ ምጥቃዖምን ፌደራል ሰራዊት ወትሃደራዊ ግብረ መልሲ ድሕሪ ምሃቡን እዩ። ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮይኖም ይዋግኡ፣ ክልቲኦም ሓይልታት ተሓባበርቲ ምልሻታት ኣዋፊሮም ኣለው። ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ መጠነ ሰፊሕ ስርቂ፣ ማህረምቲ፣ ጅምላዊ ቅትለትን ጾታዊ ምግሳስን ተፈጺሙ እዩ። ሰፊሕ ከባቢታት’ቲ ክልል ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልይዎ አሎ፣ ኣብ ገለ ከባቢታት ድማ ጥምየት ይራኣይ ጀሚሩ። ሎሚ ሶኑይ ኣብ ኢትዮጵያ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ተኻይዱ። ኣብ ትግራይ ግና ምርጫ ኣይካየድን። ድሕሪ ሸሞንተ ወርሒ ሰላም ዝወርደሉ ጸሎት ምቅራብ ግና ቀጺሉ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8A%B9%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%88%AA%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8A%93%E1%89%90%E1%88%89-%E1%8A%95%E1%89%81%E1%8C%A0%E1%89%A3%E1%8B%8A%E1%8A%95-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8A%95-%E1%89%80%E1%8B%8D%E1%88%B2-%E1%8B%AD%E1%89%93%E1%88%8D%E1%8B%91\/5937255.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ምርጫ ቦርድ ምስ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ልዝብ አካይዱ","content":"ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ፓርትታት ወፍሪ ምርጫ ኣብ ዝተኸለከለሉ ናይ ፅሞና እዋን ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ጎስጓስ ምርጫ ቀፂሉ ኣሎ ክብሉ ቅሬትኦም ኣቕሪቦም። ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ጥርዓን ኣፃሪየ ስጉምቲ ክወስድ እየ ኢሉ ኣሎ።አደ መንበር ቦርድ ምርጫ ወይዘሪት ብርቱኳን ሚደቅሳ ቅድሚ ሎሚ ብዛዕባ ዝነበረ ከይዲ ብዝምልከት ምስ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ፓርትታት ልዝብ ኣካይደን ኣለዋ ። ብኻልእ ዜና 18 ፓርትታት ዝወዳደርሉ ክልል ኣምሓራ ኣገደስቲ ናይ ምርጫ ናውቲ ይኣትው ምህላዎም ቤት ፅሕፈት ጨንፈር ቦርድ ምርጫ ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 7 ሚሊዮን ሰባት ንምምራፅ ምምዝጋቦም 118 ናይ ምርጫ ክልላት ተዳሊዮም ከምዘለው ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቦርድ ምርጫ ናይቲ ጨንፈር ኣቶ መኳንንት መከተ ሓቢሮም። ሶኑይ 14 ሰነ 2013 ንዝካየድ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ፖለቲካዊ ፓርትታት ወፍሪ ምርጫ ብቕድሚ ትማሊ ጠጠው ኣቢሎም እዮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%89%A6%E1%88%AD%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%8D%95%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%8D%E1%8B%9D%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1-\/5934470.html"} {"headline":"መምርሒግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ጉዳይ ኣብቲ ክልል ዝወሃብ ሓገዝ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ መፈተሺ ጣብያታት ዘጋጥምዎ ምትዕንቓፍ ንምፍታሕ ዘኽእል መምርሒ ከምዘውፀአ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ገሊፁ:: ነቲ መምርሒ ጠሚቱ ንወሃብቲ ሓገዝ ሎሚ ዓርቢ መብርሂ ተዋሂቡ ኣሎ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%92%E1%8C%8D%E1%8B%9D%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A5-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D\/5934458.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ ስርሓት ህንጸት ጽርግያ ተዋፊሮም ዝነበሩ 9 ሰባት ብዕጡቓት ምቕታሎም ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ወረዳ ሜታ ወልቂጤ ኣብ ስራሕ መንገዲ ዝተዋፈሩ ትሽዓተ ሰባት ብዕጡቓት ምቕታሎም ኣማሓዳሪ እቲ ዞባ ቶ ድሪርሳ ዋቁማ ገሊጾም። እቶም ኣማሓዳሪ \"ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈፀሙዎ ዕጡቓት ሸኔ እዮም\" ምስ በሉ \"እቲ ጉጅለ ተስፋ እናቖረፀ ስለዝኾነ እዩ ነዚ ተግባር ዝፍፅም ዘሎ’’ ኢሎም።እቲ መጥቓዕቲ ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ምሸት ከምዝተፈፀመ'ውን ሓቢሮም። መንግስቲ ‘’ሸኔ’’እናበለ ዝፅውዖምን ንገዛእርእሶም\"ናይ ኦሮሞ ነፃነት ሰራዊት’’ኢሎም ዝፅውዑን ደባይ ተዋጋእቲ ወሃቢ ቃል ዞባ ምዕራብ ቢሊሱማ ጉታ \"ነቲ ቅትለት ኣይፈፀምናን፤ኣብ መሰረተ ልምዓት ዝሰርሑ ሰባት ምቕታል ንርእሱ ገበን እዩ’'ክብሉ ኣሉታ ሂቦምሉ።መራሕቲ ናይቶም ደባይ ተዋጋእቲ ኣብታ ሃገር ይርኣዩ ንዘለው ፀገማት ተሓታቲ መንግስቲ እዩ ክብሉ ንዝቐርቦም ክሲ ክምልሱ ፀኒሖም እዮም። እቶም ዋና ኣማሓዳር ናይቲ ዞባ እቶም ዝተቐትሉ ሸሞንተ ሰራሕተኛታትን ሓንቲ መግቢ እተቕርበሎም ጓል ኣንስተይትን በመኪና እናተጉዓዙ ከለው እዮም ኢሎም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8A%95%E1%8C%B8%E1%89%B5-%E1%8C%BD%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%8B%8B%E1%8D%8A%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A9-9-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%B3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5934446.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ብኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ መርመራ ምጥሓስ መሰላት ኣብ ትግራይ ብቕልጡፍ ደው ክብል ሓቲታ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣካል ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾነ ኮሚሽን ናይ ሰብኣውን ህዝብን መሰላት ኣፍሪቃ ኣብ ክልል ትግራይ ንኣዋርሕ ብሰንኪ ዝቐፀለ ኣዕናዊ ግጭት ዓፀቦን ምጽናት ዓሌት ከምዘስዓበ ናብ መጠንቀቕታ ዘምርሐ ተፈፂሞም ዝበሃሉ መግሃስታት ብዝምልከት ንዝካየድ ሓዱሽ መርመራ \"ብዘይውዓል ሕደር ጠጠው ከብሎ\" ሓቲቱ። መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነቲ ነፃ መርመራ \"ዝተጋገየን\" ናይ ሕጊ መሰረት ዘይብሉን ክብል ብምንቃፍ ኣብ ክንድኡ ናይ ሓባር ምርመራ ክካየድ ኣለዎ ኢሉ። ኣባላት ናይቲ ዝተመስረተ ሓዱሽ ኮሚሽን ግን ተፈፂሞም ዝብሃሉ መግሃስታትን መርመራ ሰብኣዊ መሰላት ምርመራ ክቕፅል እዩ ኢሎም። ናይቲ ኮሚሽን ምኽትል ኣቦ መንበር ረሚ ጎይ ሉምቡ ትማሊ ሓሙስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ\"ዝጀመርናዮ ጠጠው ኣይነብልን\" ኢሎም። ንሶም ብምውሳኽ ኢትዮጵያ እቲ ኮሚሽን ንትግራይ ክርኢ ፍቓድ ሂባቶ እያ ግን ብሰንኪ ኩነታት ፀጥታ ግዜ ኣይተወሰነን ኢሎም ። ሉምቡ ዝኾነ ይኹን ውፅኢት መርመራ \"ብርግፀኝነት\" ኣብ ጣውላ ኣይሕባእን ኢሎም ።እቲ ኮምሽን ፀብፃቡ መዓስ ከምዘውፅእ ግን ንፁር ኣይኮነን። ኣብ ትግራይ በቲ ሓደ ገፅ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን በቲ ካልእ ገፅ ድማ ሕጂ ይድለዩ ናይ ዘለው መራሕቲ ደገፍቲ ዝኾኑ ዕጡቓትን ኣብ ሕዳር ግጭት ካብ ዝጅምር ብ ኣሽሓት ዝቑጽሩ ሰላማዊያን ሰባት ተቐቲሎም እዮም። ንኣሶሴይትድ ፕረስ ዝተዛረቡ መሰኻኽር ብዕስለ ፆታዊ መድፈርቲ፣ ጃምላዊ ምብራርን ብሓይሊ ምጥማይን ከምዘሎ ተዛሪቦም። ኣሜሪካ ኣብ ክፋላት ትግራይ ምፅናት ዓሌት ተፈፂሙ እዩ ክትብል ከሲሳ ኣላ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ክስታት ብምንፃግ ንትግራይ ዳግም ንምህናፅ እየ ዝሕግዝ ዘለኹ ይብል። ሉምቡ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ነንሕድሕዶም ክደጋገፉ እዮም ኢሎም ። እቲ ኮሚሽን ስርሑ ትማሊ ሓሙስ ጀሚሩ ኣሎ። እንተወሓደ ንሰለስተ ኣዋርሕ ከምዝሰርሕን እቲ ግዜ ክሕደስ እዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%88%9D%E1%8C%A5%E1%88%93%E1%88%B5-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%89%95%E1%88%8D%E1%8C%A1%E1%8D%8D-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%88%93%E1%89%B2%E1%89%B3\/5934438.html"} {"headline":"ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰላም ክካየድ ምድላዋቱ ምዝዛሙ ሓቢሩ","content":"ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ኣብ ኢትዮጵያ ሶኑይ ንዝካየድ ምርጫ ብሰላም ንምዝዛም ቅድመ ምድላዋት ምዝዛሙ ኣፍሊጡ። መራጺ ህዝቢ ስግኣት ከይሓድሮ፣ ኣብ ኩለን ነቁጣታት ምርጫ ኣኽበርቲ ጸጥታ ከምዝተመደበ ኮምሽነር ፖሊስ ተኮላ ኣይፎክሩ ሓቢሮም። ንሶም ወሲኾም ኣብ ቅድመን ድሕረን ምርጫ ከጋጥሙ ይኽእሉ’ዮም ዝተባሃሉ ስግኣታት ከምዝተለለዩን ኮማንድ ፖስት ተመስሪቱ ቅልጡፍ ፍታሕ ይህበሎም ከምዘሎን ሓቢሮም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%8B%E1%8B%8B%E1%89%B1-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8B%9B%E1%88%99-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5932866.html"} {"headline":"ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሕ\/ሃ 'ሓይልታት ኤርትራ ንህዝቢ ትግራይ ኮነ ኢሎም የጥምዩ ኣለው' ኢሎም","content":"ሓይልታት ኤርትራ ኮነ ኢሎም ንህዝቢ ትግራይ የጥምዩዎ ኣለው ክብሉ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ከሲሶም። ናይ ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ ረድኤት ሓላፊ ማርክ ሎውኮክ ምስ ሮይተርስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ወታሃደራት ኤርትራን ናይቲ ከባቢ ተዋጋእትን ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ሰባት ናብ ዝነብሩሎምን ካብ ቁፅፅር መንግስቲ ወፃኢ ናብ ዝኾኑን ከባቢታት ቀረባት ከይኣትው ኮነ ኢሎም ይኽልክሉ ኣለው ኢሎም። \"ብዘየማትእ መግቢ ከም ናይ ኵናት መሳርሒ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ኣሎ’’ኢሎም። ኣብዚ ፅሑፍ ንዝቐረቡ ክስታት ካብ መንግስቲ ኤርትራ መልሲ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።ይኹን እምበር ናይ ኤርትራ ሚኒስትር ሓበሬታ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ቅድም ክብል ወታሃደራት ኤርትራ ረድኤት ይዓፅው ኣለው ወይ ይሰርቁ ኣለው ንዝብሉ ክስታት ጠቐነ እዩ ክብሉ መሊሲ ሂቦም ነይሮም። ማርክ ሎውኮክ ንዝሃቡዎ ርእይቶ ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ናይ ትግራይ ሃገራዊ ግብረ ሓይልን መልሲ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።ወሃቢት ቃል ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢል ለኔ ስዩም 3 ሰነ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለፂ ነቶም ክስታት ብምንፃግ ናይታ ሃገር ሓይልታት ምክልኻል መግቢ ከም መሳርሒ ይጥቀም ኣሎ ዝብል መሰረት ዘይብሉን ፖለቲካዊ መበገሲ ዘለዎን እዩ ክትብል መሊሳ ኣላ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8B%E1%8B%AD-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%95%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%AE%E1%8A%90-%E1%8A%A2%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8B%A8%E1%8C%A5%E1%88%9D%E1%8B%A9-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%8A%A2%E1%88%8E%E1%88%9D\/5931553.html"} {"headline":"ወኪል ኢትዮጵያ ኣብ ሕ\/ሃ ወታሃደራት ኤርትራ 'ኣብ ዝሓጸረ እዋን' ካብ ክልል ትግራይ ክወጹ ምዃኖም ኣፍሊጦም","content":"ሰበ ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ወታሃደራት ኤርትራ ጥምየት ከም መሳርሒ ይጥቀምሉ ኣለው ክብሉ ትማሊ ሰሉስ ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ምግላፆም: ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ወታሃደራት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ \"ብርግፀኝነት ኣብ ቀረባ ክወፁ እዮም’’ ኢሎም ። ስርሖም ይዛዝሙ ዘለው ናይ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ማርክ ሎውኮክ ኣብ በይናዊ ኣኼባ 15 ኣባል ሃገራት ንዝሓቖፈ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ \"ኣብ ትግራይ ህውከት ጠጠው እንተዘይሉን ወታሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ እንተዘይወፂኦምን ኣብ 1984 ዝተርኣየ ኣዕናዊ ዓፀቦ ተመሊሱ እንተድኣ መፂኡዘገርም ኣይኮነን’’ኢሎም። ብመሰረት ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ዲፕሎማት \"ፆታዊ መድፈርቲ ንደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ንምሽባርን ጭካነ ንምፍፃምን ብስልቲ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ኣሎ። ወታሃደራት ኤርትራ ጥምየት ከም መሳርሒ ኵናት ይጥቀምሉ ኣለው። ስደተኛታት ይኽበቡ፣ይቕጥቀጡን ይፈራርሑን’’ክብሉ ነቲ ቤት ምኽሪ ተዛሪቦም ። ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ልኡኽ ኤርትራ ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣይመለሰን።ኤርትራ ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ወታሃደራታ ካብ ትግራይ ንምውፃእ ምስምምዓ ገሊፃ እያ።ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ሶፊያ ተስፋማሪያም ንወታሃደራት ኤርትራ ብፆታዊ ዓመፅን ብምጥማይን ምኽሳስ ሓሶትን ዘጉህይን እዩ ክብላ መሊሰን ኔረን። ኣብቲ ናይ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ምይይጥ ዝተሳተፉ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣፅቄ ስላሴ ኣምዴ ናይ ኤርትራ ምውፃእ ‘'ገለ ቴክኒካውን ናይ ኣሰራርሓን ምፍላይ ጉዳይት እዩ’’ኢሎም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%88%E1%8A%AA%E1%88%8D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%8C%B8%E1%88%A8-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%8B%88%E1%8C%B9-%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%96%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A6%E1%88%9D\/5931534.html"} {"headline":"ዓረብ ሊግ ንጉዳይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዝምልከት አኼባ ኣብ ቀጠር አካይዶም","content":"ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ዓረብ ሊግ ንግድብ ኣባይ ኣመልኪቱ ኣብ መንጎ ግብፂ፣ ሱዳንን ኢትዮጲያን ዘሎ ጎንፂ ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዝጠመተ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ቀጠር ተኣኪቦም ነይሮም ። ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ ነቲ ኢትዮጲያ ኣብ ዝመፅእ ወርሒ እትጅምሮ ምምላእማይ ህዳሰ ግድብ ኣመልኪታ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዘይምስምማዕ ኣብ ክንዲ ወተሃደራዊ ዲፕሎማሲያዊ ፍታሕ ከምትመርፅ ክገልፁ ከለዉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ድማ መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ጥቅሚ ህዝቢ ሱዳን ኮነ ግብፂ ናይ ምጉዳእ ድልየት የብሎምን ኢሎም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%89%A5-%E1%88%8A%E1%8C%8D-%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A0%E1%8A%BC%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%80%E1%8C%A0%E1%88%AD-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D-\/5931437.html"} {"headline":"ኣብ ዝመጽእ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝሳተፉ ፓርቲታት ናይ ምረጹኒ ጎስጓስ ሎሚ ምዝዛሞም ተገሊጹ","content":"ዝመጽእ ሰኑይ ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝሳተፉ ተወዳደርቲ ፖለቲካዊ ፓርትታት፡ ናይ ምረጹኒ ጎስጓሶም ሎሚ ምዝዛሞም ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ኣማኻሪት ኮሚኒኬሽን ቦርድ ምርጫ ሶልያና ሽመልስ ኣብ መግለጺኣ፡ ዝቕጽላ ኣርባዕተ መዓልታት፡ ወፍሪ ምርጫ ዘይካየደሉ፡ እቲ ማሕበረሰብ ብዛዕባ ኣወሃህባ ድምጺ ጥራይ መረዳእታ ዝረኽበሉ፡ መን ክመርጽ ከም ዘለዎ ንምሕሳብ ናይ ጽሞና ግዜ ዝረኽበሉ ግዜ ምዃኑ ንድምጺ ኣሜርካ ተዛሪባ`ላ። ፓርትታት ፖለቲካን ደገፍቶምን፡ ብፍላይ ትማልን ሎምን፡ ናይ መወዳእታ ጎስጓሶም ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት`ታ ሃገር ዘካየዱ ክኾኑ ኸለዉ፡ ኣካቢ ቤት ምኽሪ ፓርትታት ፖለቲካ ዶ\/ር ራሄል ባፌ ብወገነን፡ መስርሕ ምርጫ ናብ`ዚ ደረጃ ምብጽሑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ተስፋን ስግኣትን ግን ድሕሪ ምርጫ ዝቕጽል ብምዃኑ፡ ዝተረፉ ስራሓት ምህላዎም ተዛሪባ`ላ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%8A%A5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%B3%E1%89%B0%E1%8D%89-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%A8%E1%8C%B9%E1%8A%92-%E1%8C%8E%E1%88%B5%E1%8C%93%E1%88%B5-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8B%9B%E1%88%9E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5931422.html"} {"headline":"ፌስቡክ ምስ ዝመጽእ ምርጫ ኢትዮጵያ ብዝተሓሓዝ ሓደ ስኑዕ  መርበብ ገጻት ምዕጻው ኣፍሊጡ","content":"ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ፌስቡክ ትማሊ ረቡዕ ምስ ዝመጽእ ሰሙን ዝካየድ ምርጫ ኢትዮጵያ ብዝተሓሓዝ ንተጠቐምቲ ውሽጢ ሃገር ዒላማ ዝገበረ ሓደ መርበብ ገጻት ፌስቡክ ምዕጻው ኣፍሊጡ:: ፌስቡክ እቲ መርበብ ገጻት ምስ ሃገራዊ ትካል ጸጥታ ሓበሬታ ኢትዮጵያ ዝሰርሑ ውልቀሰባት ምትእስሳር ከምዘለዎ'ውን ሓቢሩ'ሎ:: ብመሰረት ሓበሬታ ፌስቡክ እቲ መርበብ ገጻት ዝዝርግሖም ዝነበረ ትሕዝቶ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ከምዝነበረን ኣብ ዜናታትን ፍጻመታት ገዛኢ ፓርቲ ብልጽግና ንቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ዝሓውስ ምንባሩ ገሊጹ:: እቲ ትካል ወሲኹ እቲ መርበብ ገጻት ንተወዳደርቲ ፓርቲታት ከም ግንባር ናጽነት ኦሮሞ: ናይ ኢትዮጵያ ዲሞክራቲክ ፓርቲ: ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ካልኦት ፖለቲከኛታትን ነቐፌታ ከቕርብ ጸኒሑ'ዩ:: ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓላፊ ትካል ሓበሬታን ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉዳይ ርእይቶ ከምዘይሃቡ: ወሃቢ ቃል ቤትጽሕፈት ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ቢልለኔ ስዩም ግን እቲ ትካል ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ሰላም ብምዃኑ ነቲ ሕቶታት ናብኡ ክቐርብ ምሕባራ ሮይተርስ ሓቢሩ'ሎ:: ፌስቡክ እቲ መርበብ ገጻት 'ዝተሓባበረ ዘይቅኑዕ ባህርያት' ዝብል ሕጊ ማሕበራዊ መራኸቡ ምጥሓሱ:ኣሜሪካ ኣብ ቐረባ ኣብ ልዕሊ ዝወሰደቶ ናይ እገዳ ስጉምቲ'ውን ርእይቶ ምሃቡ ፌስቡክ ገሊጹ'ሎ:: ፌስቡክ ብተወሳኺ እቲ መርበብ ገጻት ምንቅስቃሳቱ ንክልል ትግራይ ወይ'ውን ኣብቲ ክልል ዘሎ ኩነታት ዘተኾረ ኣይነበረንን ኢሉ:: ሓደ ካብ ገጻት'ቲ መርበብ'ውን ኣስታት 1.1 ሚልዮን ተኸተልቲ ከምኡ'ውን 76,000 ዝተፈጥሩ ጉጅለታት ማሕበራዊ ሚድያ ምጽንባሮም ይገልጽ:: ፌስቡክ ወሲኹ እቲ መርበብ ገጻት ኣስታት 6,200 ዶላር ኣብ ዝዝርግሖም ዝነበረ ትሕዝቶታት ወጻኢ ምግባሩ'ውን ሓቢሩ 'ሎ::","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%8C%E1%88%B5%E1%89%A1%E1%8A%AD-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%8A%A5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%93%E1%8B%9D-%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%88%B5%E1%8A%91%E1%8B%95-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8D%8C%E1%88%B5%E1%89%A1%E1%8A%AD-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%89%A0%E1%89%A5-%E1%8C%88%E1%8C%BB%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%8C%BB%E1%8B%8D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1-\/5931401.html"} {"headline":"ኤርትራዊት ዶ\/ር ኣልጋነሽ ትርከቦም ኢጣልያውያን መሓዙት፥ ስደተኛታት ተድሕን መርከብ ንምውናን ይጽዕሩ(2ይ ክፋል)","content":"ብሰንኪ ዋሕዲ መራኽብ ኣብ ማእከላይ ባሕሪን ዝሃልቁ ሰባት ብምብዝሖም ክንጻወሮ ኣይክኣልናን ዝብሉ ኢጣልያውያን መሓዙት፡ ንተወሳኺ ናይ ምድሓን ሓገዝ ናይ ባዕሎም መርከብ ንምግዛእን ኣብቲ ባሕሪ ንምንቅስቓስን ካብ መንግስቲ ኢጣልያ ሕጋዊ ፍቓድ ከምዝረኸቡ ይገልጹ። ንትካል ግብረ ሰናይ ጋንዲ ትመርሕ ዶ\/ር ኣልጋነሽ ፍስሃ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመጠይቕ፥ እዞም ስደተኛታት ካብ ዓዶም ከይወጹ ኢና ንመክር፡ እንተወጺኦምን ኣብ ኢድ ነጋዶ እንተኣትዮምን ግን ኣብ ባሕሪ ካብ ዝሞቱ ናይ ምድሓን ሓላፍነት ኣለና ትብል። ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ነቲ ፕሮጀክት ምግዛእ መርከብ ኣብ ምትብባዕ ተወሃሃድ ኣሊሻ ተስፋኣለም ብወገና፡ ኤርትራውያን ነዛ መርከብ ኣብ ምግዛእ እቲ ናይ ወትሩ ሰብኣውነትና ክነርኢ ኣለና ትብል። ካልኣይ ክፋል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%8C%8B%E1%8A%90%E1%88%BD-%E1%89%B5%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%8C%A3%E1%88%8D%E1%8B%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%99%E1%89%B5-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%8A%93%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%8C%BD%E1%8B%95%E1%88%A9\/5930075.html"} {"headline":"ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ህጻናት ክልል ትግራይ ሓደጋ ሞት የንጸላልዎም ከምዘሎ ትካል ህጻናት ኣድሕን ሕ\/ሃ ኣጠንቂቑ","content":"ህጹጽን ኣገዳሲን ሓገዝ እንተዘይኣርኪቡሎም ብውሑድ 33 ሽሕ ብጉድለት ኣመጋግባ ዝተጎድኡ ቆልዑ ትግራይ ክሞቱ ከምዝኽእሉ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ህጻናት ኣድሕን(ዩኒሴፍ) ኣጠንቂቁ። ዩኒሴፍ ብወገኑ \"መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ’ታ ብኩናት ተሃስያ ዘላ ትግራይ ዘይተደረተ መተሓላለፊ ንክህሉ ክንገብር ኢና\" ክብል ንዝኣተዎ ቃል ንክትግብር ተማሕጺኑ ኣሎ። ወሃቢ ቃል እቲ ትካል ጀምስ ኤልደር ትካላት ረድኤት ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ክኣትው ተዘይኪኢሎም፣ ከቢድ ሰብ ሰራሕ ጥፍኣት ክስዕብ እዩ’ ክብል ኣጠንቂቁ:: \"እቲ ዘድንቅ ነገር፣ ኣብ’ዘን ዝቅጽላ ኣዋርሕ፣ ኩነተ ውሕስና መግቢ እናተበላሸው ስለዝኸይድ፣ ብሕልፊ ንቆልዑ ኩነታት ክኸብዶም እዩ። ስለዚ፣ እኽሊ እንተዘይ ተዘሪኡ፣ ካብ’ቲ ዝጠቀስናዮ 33 ሽሕ ኣሃዝ ንላዕሊ ሓደጋ ሞት ኣብ ቆልዑ ከጋጥመና እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ፣ ኣብ’ቲ ውግእ ዝሳተፉ ኩሎም ሓይልታት፣ ንዩኒሴፍ ዘይተደረተ ሰብኣዊ ተበጻሕነት ንክረክብ ክሕግዙን ንኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ጥምየት ንክነውግድን ክንክእል ኣለና።\" ዩኒሴፍ ኣብ መግለጺኡ ብውሑድ 140 ሽሕ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዳርጋ ጥምየት ደረጃ ከምዝርከቡ ጠቂሱ ኣሎ። ብዘይካ'ዚ 56 ሽሕ ቆልዑ ብሰንኪ ሕሱም ዋሕዲ መግቢ ክንክን ዘድልዮም እዮም ኢሉ። እቲ ወሃቢ ቃል ማእከላት ጥዕና ተጎዲኦም፣ ሰራሕተኛታት ጥዕና መጥቃዕቲን ምፍርራሕን ተፈጺምዎም ብሰንኩ ድማ ናብ ስርሖም ንዘይምምላስ ወሲኖም እዮም ይብል:: ተንቀሳቀስቲ ሰራሕተኛታት ጥዕናን ጉጅለታት ምግብናን ስርሖም ብነጻነት ንክሰርሑ ጥጡሕ ባይታ ክረኽቡ ኣለዎም። ኣብ’ዛ ንዛረበላ ሰዓት፣ ክታበት ንፍዮ፣ ኣልምሲን ቫይታሚን ኤን ንክህቡ ይብገሱ እዮም ዘለው። ክንዝክሮ ዘለና፣ ንትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ዝቀትሎም ‘ስእነት መግቢ’ ዘይኮነስ ከም ‘ሕጽረት ጽሩይ ዝስተ ማይን ጉድለት ጽርየትን’ እዩ። ትካል ህጻናት ኣድህን ሕቡራት ሃገራት ነቶም ዕለታዊ ንምንባር ክብሉ ይቃለሱ ዘለው 1.3 ሚልዮን ቆልዑ ንምእባድ ካብ ዘድሊ 47 ሚልዮን ዶላር እቲ 13 ሚልዮን ዶላር ከምዝጎደሎ’ውን ገሊጹ ኣሎ ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%8B%93%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%BD%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%91%E1%8C%B8%E1%88%A9-%E1%88%85%E1%8C%BB%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B-%E1%88%9E%E1%89%B5-%E1%8B%A8%E1%8A%95%E1%8C%B8%E1%88%8B%E1%88%8D%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%85%E1%8C%BB%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%8A%95-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%8C%A0%E1%8A%95%E1%89%82%E1%89%91\/5930038.html"} {"headline":"ዝመጽእ ምርጫ ኢትዮጵያን ግብረመልሲ ገለ ፓርቲታትን","content":"ኣብ ኣምቦ ወፍሪ ምርጫ ዝነበሮም ሓላፊ ፓርቲ ብልጽግና ኣቶ ፈቃዱ ተሰማ ፓርቶም እንተተዓዊቱ፣ ብፍልጠት፣ ቴክኖሎጂ፣ ብቁጠባን ብኣገባብን ክሰርሕ’ዩ ከምዝበሉ ተገሊጹ። ብካልእ ወገን፣ ኣብ’ቲ \"ናይ ኣምስሉ\" ዝበሎ ምርጫ ኦነግ ስለዘይተሳተፈ ከምዘይጣዓስ ብኣቶ ዳውድ ኢብሳ ዝምራሕ ኦነግ ገሊጹ። ወሃቢ ቃል ኦነግ ብወገኖም \"ዋላ’ውን ኣብ’ቲ ምርጫ እንተዘይተሳተፍና፣ ኣብ ፖለቲካ’ታ ሃገር ዝጀመርናዮ ተሳትፎ ብሰላማዊ ኣገባብ ክንቅጽለሉ ኢና\" ከምዝበሉ እቲ ዜና ገሊጹ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኦፌኮ ኣቶ ጥሩነህ ብወገኖም \"ገዛኢ ፓርቲ ብልጽግና ኣብ ክልል ኦሮምያ በይኑ ተወዳዳሪ ኮይኑ ምቅራቡ፣ ንናይ’ታ ሃገር ጸገም ዘጋድድ’ምበር ካልእ ረብሓ ኣለዎ ኢልና ኣይንኣምንን\" ከምዝበሉ ተገሊጹ ኣሎ። ሻድሻይ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ዝመጽእ ሶኑይ ከምዝካየድ ዝገለጸ ቦርድ ምርጫ’ታ ሃገር፣ ኣብ ትግራይ፣ ሃረሪ፣ ሶማሌ ሙሉእ ንሙሉእ፣ ኣብ ክልላት ኦሮምያ፣ ኣምሓራ፣ ደቡብን ቤንሻንጉል ጉሙዝን ድማ ገለ ከባቢታት፣ ብሰንኪ ጸጥታን ካልኦት ጸገማትን ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ምርጫ ከምዘይካየድ ኣፍሊጡ እዩ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%8A%A5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%8C%88%E1%88%88-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95\/5929984.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ ሞቃዲሾ ብዘጋጠመ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቓዕቲ ኣስታት 10 ወታሃደራት ምሟቶም ተገሊጹ","content":"አብ ደቡባዊ ሞቃዲሾ አብ ማእከል ወትሃደራዊ ታዕሊም ተመሳሲሉ ዝኣተወ ውልቀሰብ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ተገሊጹ። ንድምጺ ኣሜሪካ ርእይቶ ዝሃቡ ክልተ ምንጭታት፣ እቲ ውልቀሰብ ዩኒፎርም ሰራዊት ለቢሱ ናብ’ቲ ስፍራ ከምዝኣተወ ኣረጋጊጾም። መንግስታዊ ምንጭታት \"ብውሑድ 10 ወትሃደራት ተቀቲሎምን ካልኦት ከቢድ መቁሰልቲ ዝወረዶምን ኣለው\" ይብሉ። ኣዛዚ ሰራዊት ሶማያ ብርጋዴር ጀነራል ኦዳዋ የሱፍ ረገ ብወገኖም \"10 ተዓለምቲ ከምዝሞቱን 20 ከምዝቆሰሉን\" ንመሓውራት ዜና ገሊጾም። ካልኦት ንመሓውራት ዜና ግና እቲ በዝሒ ካብ’ቲ ዝተጠቀሰ ንላዕሊ ከምዝኾነ ይዛረቡ። ዕጡቅ ጉጅለ ኣል ሸባብ ፈጻሚኡ ባዕለይ እየ ኢሉ ሓላፍነት ወሲዱ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%9E%E1%89%83%E1%8B%B2%E1%88%BE-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%88%B0-%E1%89%85%E1%89%B5%E1%88%88%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-10-%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5929960.html"} {"headline":"ኣብ ትግራይ ፆታዊ ዓመፅ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ተሓታትነትን","content":"ብፌደራል መንግስቲ ናይ ዝተሸመ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣባል ካብኔ ዝኾና ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ወይዘሮ እትየነሽ ንጉሰን ኣባል ኮማንድ ፖስትን ሓላፊ ቢሮ ፍትሕን ክልል ትግራይ ኣቶ ኣበራ ንጉሰን ኣብ ትግራይ ብኢሱዎ ከምዝቐፀለ ዝዝረበሉ ፆታዊ ዓመፅ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ብዝምልከት ካብ ሰማዕቲ ዝተልዓሉ ሕቶታት መልሲ ሂቦም ኣለው። ኣቶ ኣበራ \"ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝፍፀመ ዘሎ ኣረመናዊ ተግባር ንፌደራል መንግስቲ ንነግር ኣለና’’ ምስ በሉ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወፅእ ሪፖርት ካብ ምግባር ሓሊፍና ነዚ ሓይሊ እዚ ናይ ምእላይ ይኹን ናይ ምምጓት ዓቕሚ ስለዘይብልና ጥርዓን ነቕርብ ኣለና’’ ኢሎም። \"እተን ዝተጠቕዓ ደቂ ኣንስትዮ ዝወረደን ግፍዒ እናነብዓ ይነግራኻ ንስኻ እውን እናነባዕኻ ትሰምዐን’’ ዝበላ ወይዘሮ እትየነሽ \"ሞራልካ ዝሰብር ክብሪ ትግራዋይ፣ ዝተኸበራ ደቂ ኣንስትዮና ብውርደት ክትሪኦ ከለኻ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ’’ ኢለን።ከም ናይ ስግግር ምምሕዳር \"ዳርጋ ብኹሉ ኣባላት ካብኔ’’ ዝኾነን እዩ። ፌደራል መንግስቲ መፍትሒ ክህብ ንፅዕር ኣለና’’ ኢለን። ምሉእ ድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8D%86%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%8D%85-%E1%8B%B0%E1%89%82-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%88%8D%E1%8B%B5%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95-\/5929562.html"} {"headline":"ሱዳን: ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ስምምዕ ዝተበጽሑ ኩሎም ውዕላት ብግዚያዊነት ከምትቕበል ኣፍሊጣ","content":"ሱዳን ኣብ ኣሰሓሓቢ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ምስ ኢትዮጵያ ክትሰማማዕ ትኽእል ብግዚያውን ኣብ ትሕቲ ቅድመ ኩነትን እዩ ክብሉ ሚኒስትር ማይ ሱዳን ሎሚ ሶኑይ ገሊፆም። ታሕተዎት ተስፋሰስ ግብፅን ሱዳንን ኢትዮጵያ ኣብ ኣመላልኣን ኣሰራርሓን እቲ ግዙፍ ግድብ ንኣሳሪ ስምምዕ ክትፍርም ክደፍኣ ፀኒሐን እየን። ሚኒስትር ማይ ሱዳን ያስር ዓባስ ኣብ ካርቱም ንሪፖርተራት ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ \"ሓፂር ግዜ ኣብ ግምት ብምእታው ሱዳን ኣብ ትሕቲ ቅድመ ኩነታት ዛጊት ኣብ ስምምዕ ዝተብፀሓሎም ኩሎም ውዕላት ሓዊሱ ንግዚያዊ ስምምዕ ክትቕበል እያ’’ ኢሎም ። ዝሓለፈ ዓመት ናይ መጀመሪያ ምዕራፍ ምምላእ እቲ ግድብ ምፍፃማ ዝገለፀት ኢትዮጵያ ኣብ ስምምዕ ተበፅሕ ኣይተበፅሐ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሓምለ ምምልኣ ከም እትቕፅል ገሊፃ ኣላ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A0%E1%8C%BD%E1%88%91-%E1%8A%A9%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8B%8D%E1%8B%95%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8C%8D%E1%8B%9A%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%89%95%E1%89%A0%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A3\/5928615.html"} {"headline":"መግለጺ ብቁጠባ ዝማዕበላ ሃገራት ጂ7 ኣብ ጉዳይ ትግራይ","content":"ኣብ ብሪጣንያ ንሰለስተ መዓልታት ዝዘተዩ መራሕቲ ብቁጠባ ናይ ዝማዕበላ ሃገራት ጉጅለ ሸውዓት G7 ሰፊሕ መግለፂ ብምውፃእ ዋዕልኦም ዛዚሞም። ዓለምለኸ ሓላፍነትን ስጉምትን ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝወጸ መግለጺ ኣብ ክልል ትግራይ ብዝቐፀለ ግጭትን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ኣብ ኩነታት ዓፀቦ ዝርከቡ ሓዊሱ ኣብ ዝለዓለ ሰብኣዊ ሓደጋ ከምዘለው ብዝሕብሩ ፀብፃባት ብዓሚቕ ተሻቒልና ኣለና ይብል ። ሰፊሕ ፆታዊ ዓመፅ ሓዊሱ ንቀፃሊ ግፍዕታት ንኹንን ዝበለ እቲ መግለፂ ብናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ንሰብኣዊ መሰላት ይካየድ ዘሎ ምርመራታት ብሓጎስ ንቕበሎ፣ኣብ ትግራይ ተፈፂሞም ዝብሃሉ መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ምሉእ ተሓታትነት ክረጋገፅን ፈፀምቲ ናብ ፍትሒ ክቐርቡን ንፅውዕ ይብል። ተፃብኦታት ብዘይ ውዓል ሕደር ጠጠው ክብል ንፅውዕ፣ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ኩሎም ከባቢታት ዘይተደረተ ተበፃሕነት ክረጋገፅን ወታሃደራት ኤርትራ ብዘይውዓል ሕደር ክወፁን ንፅውዕ ይብል። እቲ መግለፂ ብምውሳኽ ኩሎም ወገናት እንኮ መፍትሒ ናይቲ ቅልውላው ዝኾነ ተኣማኒ ፖለቲካዊ መስርሕ ክስዕቡ ነተሓሳስብ ይብል ። ብተወሳኺ መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምኽባር ሰብኣውን ፖለቲካውን መሰላት ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ንቅድሚት ዝጥምት ሃገራዊ ዕርቂን ምርድዳእን መሰረት ዝገበረ ሰፊሕን ሓቋፊን ፖለቲካዊ መስርሕ ከሰጉሙ ንፅውዕ ኢሉ ኣሎ ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%89%A5%E1%89%81%E1%8C%A0%E1%89%A3-%E1%8B%9D%E1%88%9B%E1%8B%95%E1%89%A0%E1%88%8B-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8C%827-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/5928600.html"} {"headline":"ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ 5ይ ፓትሪያርክ ቀቢኣ","content":"ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ትማሊ 13 ሰነ 2021 ኣብ ቤተ ክርስትያን ርእሰ ኣድባራት ደብረጺዮን ቅድስቲ ማርያን ኣስመራ ሓሙሻይ ፓትሪያርክ ብክብ ዝበለ ማዕርግ ቀቢኣ። ኣብቲ ቅዱሳን ጳጳሳት፡ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ዲፕሎማሰኛታት፡መራሕቲ ሃይማኖት ፡ዲያቆናትን ሊቃውንትን ወከልቲ ገዳማትን ኣብ ዝተረኽብሉ ዝተኻየደ ናይ ምቕባእ ስነስረዓት ብጹእ ኣቡነ ቆርሎስ ሓሙሻይ ፓትሪያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኮይኖም ተሽይሞምን ቃለ መሓላ ፈጺሞምን። ብካልእ ወገን ሳልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ዝኾኑ አቡነ አንጦንዮስ ካብ መዝነቶም ተላዒሎም ኣብ ገዛ ማሕዩር ኣስታት 15 ዓመታት ምቑጻሮም ክግለጽ ምጽንሑ ይፍለጥ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A6%E1%88%AD%E1%89%B6%E1%8B%B6%E1%8A%AD%E1%88%B5-%E1%89%B0%E1%8B%8B%E1%88%85%E1%8B%B6-%E1%89%A4%E1%89%B0-%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-5%E1%8B%AD-%E1%8D%93%E1%89%B5%E1%88%AA%E1%8B%AB%E1%88%AD%E1%8A%AD-%E1%89%80%E1%89%A2%E1%8A%A3\/5928480.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ ኣብ ትግራይ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ህጻናት ንጥምየት:ሕጽረት መግብን ሞትን ይቓልዑ ምህላዎም ኣጠንቂቑ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ህጻናት ብጥምየትን ዋሕዲ ዝተመጣጠነ መግብን ዝፍጠሩ ሕማማት ይሞቱ ምህላዎም ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%88%BD%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%91%E1%8C%B8%E1%88%A9-%E1%88%85%E1%8C%BB%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8C%A5%E1%88%9D%E1%8B%A8%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%8C%BD%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%88%9E%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%89%93%E1%88%8D%E1%8B%91-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%8C%A0%E1%8A%95%E1%89%82%E1%89%91\/5928521.html"} {"headline":"ሕ\/ሃገራትን ሕ\/ኣፍሪቃን ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ጥምየትን ግፍዒን ንምክልካል ስጉምቲ ክወስድ ዘ ኤልደርስ ዝተባህለ ትካል ጸዊዑ","content":"ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ዝነበሩ ባንኪ ሙን፣ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ጂሚ ካርተር ፣ ዴዝሞን ቱቱ፣ፕረዚደንት ላይበሪያ ዝነበራ ኤለን ጆንሰን ሰርሊፍ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ፍሉጣት ሰባት ኣባላት ዝኾኑሉ The Elders ዝተባህለ ፋውንዴሽን ቤት ምኽሪ ፀጥታን ሕብረት ኣፍሪቃን ንዞባዊ ሰላምን ፀጥታን ቀርኒ ኣፍሪቃ ግልፂ ዝኾነ ሓደጋ ደቂኑ ኣሎ ዝበሉዎ ኣብ ትግራይ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሰብኣውን ሰብኣዊ መሰላትን ቅልውላው ንምፍታሕ ቕልጡፍ ስጉምትታት ክወስዱ ፀዊዑ። ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣወሃሃዲ ህፁፅ ረድኤት ኣብ ትግራይ ዓፀቦ ኣሎ ኢሉ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ምእዋጁ ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ኩሎም ወገናት ብፍላይ ድማ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኤርትራን ትካላት ረድኤት ናብ ዘድልዮም ሰባት ከይሓልፊ ምኽልካሎም ጠጠው ከብሉ The Eldres ኣተሓሳሲቡ። ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ንተበፃሕነት ሓገዝ ኣብ ልዕሊ ዝጥሕሱ ግቡእ ስጉምትታት ክውሰድ ዝፅውዕ ብመሰረት ዘሕለፎ ውሳነ 2417 ግብረ መልሲ ሕጂ ክህብ ኣለዎ ኢሎም። ሕብረት ኣፍሪቃ ንናይቲ ኩነታት ሓደግኡ ኣፍልጦ ክህብን ናይታ ክፍለ ዓለም ሰላምን ምርግጋእን ሓላፍነቱ ክዋፃእን ፀዊዑ ኣሎ።ኣባል እቲ The Elders ዝኾና ፕረዚደንት ሴራሊዮን ዝነበራ ኤለን ሰርሊፍ \"ኣብ መቐመጢት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብዝኾነ (ኣብ ኢትዮጵያ) የጋጥም ዘሎ ናይ ሰብኣውን ሰብኣዊ መሰላትን ጥፍኣት ክፈትሕ ንሕብረት ኣፍሪቃ እፅውዕ\"ኢለን። ሃለዋት ሓይልታት ኤርትራ ንናይ ኢትዮጵያን ናይቲ ዞባን ምርግጋእ ብዝዓበየ የዐንቅፎ ኣሎ ዝበለ እዚ መግለፂ ጉጅለ ሸውዓተ ወታሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ብዘይውዓል ሕደር ክወፁ ምፅውዑ ንድግፍ ኢሉ። ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ንዝፍፀም ሰፊሕ ፆታዊ ዓመፅን ፆታ መሰረት ንዝገበረ ህውከትን ንኹንን ዝበለ እዚ መግለፂ መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ክምርመሩ ፀዊዑ። ናይ The Elders አደ መንበርን ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላትን ዝነበራን ማሪ ሮቢንሰን \"ምግሳስን ፆታዊ ዓመፅን ብስልቲ ከም ናይ ኵናት መሳርሒ ምጥቃም ከቢድ ምጥሓስ ዓለምለኸ ሕጊ ሰብኣውነት እዩ።.....እዞም ዘይሕጋውን ዘዋርዱን ተግባራት ኣብ ዝለዓለ ስልጣን ዝርከቡ ሓዊሱ ፍትሒ ክረጋግፅን ንቅድሚ ገበናት ንምክልኻልን ህይወትን ግዳያት ዝኾና ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ፍትሒ ክረኽባን ኣለወን’'ኢለን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8C%A5%E1%88%9D%E1%8B%A8%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8C%8D%E1%8D%8D%E1%8B%92%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%8B%88%E1%88%B5%E1%8B%B5-%E1%8B%98-%E1%8A%A4%E1%88%8D%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%88%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%88-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%91\/5928554.html"} {"headline":"ናይ ኢትዮጵያ ቅድስቲ ከተማ ኣክሱም ብቅልውላው ክልል ትግራይ ትናወጽ","content":"ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ናብ ንግደት ዝውሕዙን በጻሕቲ ሃገርንን ናብ’ታ ቅድስቲ ትባሃልን ኣብ ትግራይ ትርከብን ከተማ ኣኽሱም ይኣትው ነይሮም። ሎሚ ግና መብዛሕተኦም ጎደናታታ ጽምዋ ዓቢልልዎም፣ ሹቃታ ብሰንኪ ውግእ ዝተዓጸውዋ ከተማ ኮይና ኣላ።ኣብ ገጠራት ትግራይ ዝቀጸሉ ውግኣት ኣብ ልዕሊ’ታ ከተማ ከቢድ ጽልዋ የሕድር ኣሎ ትብል ናብ ኣኽሱም ዝኣተወት ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ሂዘር ሙርዶክ። ን40 ሚእታዊት ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊያን ኢትዮጵያዊያንን ንመብዛሕተኦም ተጋሩን፣ ኣኽሱም እታ ቅድስቲ ከተማ ናይ ዓለምና እያ። ዓሰርተ ትእዛዛት ዝሓዘለ ጽላት ኣብ’ታ ከተማ ከምዝርከብ፣ ኣኽሱም መጀመሪ ክርስትና እዩ ኢሎም ይኣምኑ። No media source currently available ንልዕሊ ሸውዓተ ኣዋርሕ ድሕሪ ዝቀጸለ ውግእ ግና ብዙሓት ኣመንቲ ኣብ’ታ ከተማ ካብ ገጠር ናብ’ታ ከተማ ዝኣተው ተፈናቀልቲ እዮም። ግዳያት እቲ ውግእ ናብ ሆስፒታል ይኣትው ኣለው። ኪሮስ ገብሩ ሓደ ካብኦም እዩ \"ኣብ ህንጸት ስራሕ ከለኹ ቴንዲኖ እናመላእኩ ከለኹ፣ እቲ ህንጻ ብቦምብ ምስ ተደብደበ እግረይ ተወቂዔ። እንደገና ተደጊመ።\" ኣማሓደርቲ ሆስፒታል ፣ ብዘይካ’ቶም ኣብ ዓውዲ ውግኣት ዝቆሰሉ ብተወሳኺ፣ ትካላት ጥዕና ስለዝዓነው ወይ ስለዝተሰረቁ፣ ናብ ሆስፒታል ዝወስዱ ጽርግያታት ስለዝተዓጸው፣ መጠን ሞት ንሂሩ ኣሎ ይብሉ። ነበርቲ ኣኽሱም፣ ሓሓሊፉ ግጭት ከምዘጋጥምን ኣብያተ ንግዲ ቀስ እናበለ ይኽፈት ከምዘሎን ይዛረቡ። ኣይግዱ ዝተባሃለ ነጋዳይ’ታ ከተማ ከምዚ ይብል፣ \"ድኳናትና እንተ ዘይከፊትና ብጥሜት ክንውዳእ ንኽእል ኢና። ኣብዚ ውግእ እዚ ዅነታት ተቀያያሪ ኮይኑ ኣሎ። ሰባት ካብ ከተማታት ናብ ገጠር ይሃድሙ ነይሮም። ሎሚ ግን ካብ ተመዛበልቲ ካብ ገጠር ናብ ከተማ እዮም ይመጹ ዘለዉ። ንሕና ድማ ክነዕቁቦም ኣሎና። ብህይወት መታን ክነብሩ ማዕጾና ክንከፍተሎም ይግባእ ኣለና።\" ነበርቲ ኣኽሱም ኣብ እዋን’ቲ ቅድሚ ኣዋርሕ ዝተፈጸመን ኣማኢት ዝተቀትሉሉን ዝብልዎ ነታ ከተማ ዝወረዳ ከቢድ ግጭት፣ ብርክት ዝበሉ ትካላት ንግዲ ተሰሪቆም እዮም። ሎሚ’ውን ውግእ ምስ ቀጸለ እዩ። ወትሃደራት ኤርትራ ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮይኖም ይዋግኡ ኣለው። ክልቲኦም ወገናት ሰራዊት ምልሻ’ውን ኣሰሊፎም እዮም። ውግእ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ሰራዊት ህወሓት ነቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ መዓስከር ፌደራል ሰራዊት ድሕሪ ምጥቃዖምን ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብቲ ክልል ድሕሪ ምእታዎም እዩ ይብል እቲ ሪፖርት። ብሰንኪ’ቲ ውግእ ኣሻሓት ተቀቲሎም፣ ሚልዮናት ድማ ተፈናቂሎም። መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ትግራይ ኣብ ጎደና ዳግመ እግሪ ምትካል ኣላ ይብል። ብርክት ዝበሉ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ግና፣ ኩነታት ሰላምን ቁጠባን ካብ እዋን ናብ እዋን የንቆልቁል ኣሎ ባሃልቲ እዮም ትብል ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ሂዘር ሞርዶክ ካብ ኣኽሱም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%85%E1%8B%B5%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%A3%E1%8A%AD%E1%88%B1%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%89%85%E1%88%8D%E1%8B%8D%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B5%E1%8A%93%E1%8B%88%E1%8C%BD\/5928369.html"} {"headline":"ኤርትራዊት ዶ\/ር ኣልጋነሽ ትርከቦም ኢጣልያውያን መሓዙት፥ ስደተኛታት ተድሕን መርከብ ንምውናን ይጽዕሩ","content":"ብሰንኪ ዋሕዲ መራኽብ ኣብማእከላይ ባሕሪን ዝሃልቁ ሰባት ብምብዝሖም ክንጻወሮ ኣይክኣልናን ዝብሉ ኢጣልያውያን መሓዙት፡ ንተወሳኺ ናይ ምድሓን ሓገዝ ናይ ባዕሎም መርከብ ንምግዛእን ኣብቲ ባሕሪ ንምንቅስቓስን ካብ መንግስቲ ኢጣልያ ሕጋዊ ፍቓድ ከምዝረኸቡ ይገልጹ። ንትካል ግብረ ሰናይ ጋንዲ ትመርሕ ዶ\/ር ኣልጋነሽ ፍስሃ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመጠይቕ፥ እዞም ስደተኛታት ካብ ዓዶም ከይወጹ ኢና ንመክር፡ እንተወጺኦም ግን ኣብ ኢድ ነጋዶ እንተኣትዮምን ግን ኣብ ባሕሪ ካብ ዝሞቱ ናይ ምድሓን ሓላፍነት ኣለና ትብል። ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ነቲ ፕሮጀክት ምግዛእ መርከብ ኣብ ምትብባዕ ተወሃሃድ ኣሊሻ ተስፋኣለም ብወገና፡ ኤርትራውያን ነዛ መርከብ ኣብ ምግዛእ እቲ ናይ ወትሩ ሰብኣውነትና ክነርኢ ኣለና ትብል። ምስ ክሊቲኤን ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%8C%8B%E1%8A%90%E1%88%BD-%E1%89%B5%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%8C%A3%E1%88%8D%E1%8B%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%99%E1%89%B5-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%8A%93%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%8C%BD%E1%8B%95%E1%88%A9\/5925654.html"} {"headline":"'ነበርቲ ሓውዜን ግዳያት ኵናት ትግራይ ብጅምላ ይቐብርሉ ኣለው'ፀብፃብ ሄዘር ሞርዶክ","content":"ኣብ ወሰን ከተማ ሓውዜን ግዳያት ኵናት ትግራይ ዓሚቕ ኣብዘይኮነ ጃምላዊ መቓብር ብእምንን ሓመድን ተደፊኖም ይርኣዩ።ገሊኦም መቓብራት ዓሰርተታት ሰባት ገሊኦም ድማ ሒደት ዝተቐብሩሎም እዮም።ንልዕሊ ሸውዓተ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ኣብ ዙሪያ እታ ከተማ ኣስታት ክልተ ምእቲ ሰባት ተቐቢሮም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይእመን ትብል ጋዜጠኛ ቪኦኤ ሄዘር ሞርደክ።ኣብ ከተማ ኣክሱም ዝተዓዘበቶ እውን ኣካፊላትና ኣላ። ሪፖርተር ቪኦኤ ሄዘር ሞርደክ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ናብ ዝርከቡ ናይ ዕዳጋ ማእኸላትን ንክልተ ሆስፒታላትን ተዓዚባላ።ኣብ ኣክሱም ዝረኸበቶም ሰባት ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት ማዕልታት ሰባት ናይ ንግዲ ትካሎም ይኸፍቱን ብነፃነት ይንቀሳቐሱን ከምዝጀመሩን ሄዘር ትጋልፅ።ኣብ ጉዕዞ ብዙሓት ወታደራት ምርኣያ ኵናት ግን ከምዘይርኣየት ሓቢራ። ኣብ ትግራይ እቲ ኵናት ድሕሪ ምጅማሩ ብዝተፈፀመ ስርቂ ሆስፒታላት ንነፍሰ ፁራት ከተኣናግዱ ብዘይምኽኣሎም ሞት ኣዴታት ብዕፅፊ ምውሳኹ ኣብ ኣክሱም ናይ ሆስፒታል ዳይረክተር ገሊፁለይ ኣሎ ትብል።ሰባት ኣብ ዝነብርሉ ከባቢ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ኣገልግሎት ጥዕና ኣይረኽቡን ከምዝበላን ፀገመ ቀረብ ምግቢ እውን ከምዘሎ እቲ ዝርካቡ እውን ዋጋ ብዕፅፊ ምውሳኹ እቲ ሜዲካር ዳይረክተር ከምዝገለፀላ ትሕብር። እቲ ሆስፒታል ክልተ ግዜ መድሓኒቱ ክሳብ ዝፅንቀቕ ከምዝተወረረን እቲ ናይ መወዳእታ ስርቂ ዝተፈፀመ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ዝተፈፀመ ብምዃኑ ክሳብ ሕዚ መድሓኒት ከምዘይተማልአን ገሊፆምለይ ኢላ መሳርሕትና ኤደን ገረመው ዘዘራረበታ ሪፖርተር ሄዘር ሞረዶክ። ሄዘር ሞርዶክ ብዛዕባ ከተማ ሓውዜን ዝለኣኸቶ ፀብፃብ ድማ ከምዚ ይብል። ነበርቲ ከተማ ሓውዜን ድሕሪ ዝተኻየዱ ብርክት ዝበሉ ውግኣት ኣብ ጎደናታት ወዲቖም ዝተረኸቡ ሬሳታት ዝተቐበርሉ ሓዊሱ ኣስታት 20 መቓብራት ኣለው ይብሉ።ሓውዜና ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ብዝተኻየዱ ውግኣት ሓሙሽተ ግዜ ዝኸውን ኣብ ኢዶም ተቐያይራ እያ።ሚሊሽያታትን ወታደራት ኤርትራን እውን ካብቶም ተዋጋእቲ እዮም። ጓል 50 ዓመት ለታይ ግርማይ ሬሳታት ምቕባራ ብምግላፅ ናብ ናይ ቤተ ክርስቲያን መቓብር ተወሲዶም ዳግም ክቕበሩ ተስፋ ኣለዋ። ‘’እቶም ሬሳታት ንሸውዓተ፣ሸሞንተ ማዕልታት ተደርቢዮም ቀኒዮም’’ትብል ለታይ።’'ናብ ቤተ ክርስቲያን ንምውሳድ ዋላ ሓደ ሰብ ዝሕግዝ ኣይነበረን።ውሑዳት ኮይንና ኢና ቀቢርናዮም።ሕማቕ ጨና፣በስቢሶም ሓሲኾም’’ትብል። ኣብ ውሽጢ ከተማ ሓውዜን ህንፃታት ዓኒዮም፣ሰባት ካብ መካይን ማይ ክቕበሉ ይርኣዩ።ዝበዝሕ መሰረተ ልምዓት ናይቲ ከባቢ ዓኒዩ እዩ። መብዛሕቲኦም ነበርቲ ውሑሳት ናብ ዝኾና ከተማታት ናብ ካምፕታት ወይ ናብ ቤተሰቦም ወይ ናብ ኣዕርኽቶም ከይዶም እዮም።ኣስታት ክልተ ሚሊዮን ነበርቲ ክልል ትግራይ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተመዛቢሎም ይርከቡ።ልዕሊ 60,000 ሰባት ድማ ናብ ሱዳን ሃዲሞም። ኣብታ ከተማ ዝተረፉ ሰባት ሓዱሽ ውግእ ኣብ ዝኾነ እውን ከይልዓልዓብይ ስግኣት ኣለዎም።’’ብዙሕ ደብዳብ ተፈፂሙ እዩ’’ትብል ወጥሪ ዋላ እንተሃለወ እውን ኣብ ዕዳጋ ኮሚደሮን ድንችን ትሸይጥ ንደሕንነታ ክትብል ሽማ ክግለፅ ዘይደለየት ሰበይቲ።’’ህፃውንቲ ሞቶም ኣባይቲ ዓንዮም’’በለት ወሲኻ። መብዛሕቲኦም ሸየጥቲ ኣሕምልቲ፣ዘይቲን ከረሜላን ኣብ መሬት ዘርጊሖም ይርኣዩ፤ዝዕድግ ግን ዳርጋ የለን።’’ስራሕ የለን ግን ምሉእ ማዕልቲ ኮፍ ኢልና ንውዕል’’ ትብል እዛ ሸቐጥ ትነግድ ሰበይቲ። ካሊእ ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለየ ወዲ 33 ዓመት ንእሽተይ መደብር ከምዝነበረቶን ቡን፣ፓስታን ሽኮርን ይሸይጥ ከምዝነበረ ብምግላፅ ከምቶም ብዙሓት ሹቓት ተሰሪቑ ባዶ ምትራፉ ይገልፅ።’’ሕዚ ዋላ ሓደ ነገር የብለይን’’ይብል። ሃፍቶም ጊደይ ዝተብሃለ ወዲ 35 ዓመት እውን ኣብ ሓደ ናይቲ ከባቢ ሆቴል ይሰርሕ ከምዝነበረን ድሕሪ እቲ ኵናት ተሰሪቑን ዓን ዩን ኣሎ ይብል።ንሃፍቶም ዘስግኦ ድኽነት ኣይኮነን።ዝሞቱ ከምዝቐበረ ብምግላፅ ብሰንኪ ደብዳብ ብዙሕ ግዜ ካብ ገዝኡ ከምዝሃደመ ይዛረብ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ረድኤት ብምክፍፋልን ፆታዊ ዓመፅ ዝፈፀሙ ወታደራት ብምኽሳስን ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ክወፅእ ይሰርሕ ኣለኹ ይብል።መንገድታትን ኣገልግሎት ኢንተርኔትን ተዓፂዩ ኣብ ዝርከበሉ ዝበዝሕ እቲ ክልል ተበቲኹ ይርከብ።ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ልዕሊ 90 ምእታዊ ህዝቢ ትግራይ ህፁፅ ረድኤት ምግቢ የድልዮም ይብል።መብዛሕቲኦም ትካላት ጥዕና ትግራይ ተሰሪቖም ወይ ዓኒዮም እዮም።ኣማእቲ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ብወታደራት ኤርትራ፣ ሚሊሺያታት ክልል ኣምሓራን ብፌደራል ወታደራት ኢትዮጵያን ምዕማፀን ተፀብፂቡ። መንግስቲ ንመብዛሕቲኡ እቲ ክልል ዝሓዞ እንተመሰለ እውን ውግእ ቀፂሉ ይርከብ።በብዕለቱ ኣብ ኵናት ዝቖሰሉ ናብ ሆስፒታል ይመፁ ኣለው። ኣብ ሓውዜን ነበርቲ ሬሳታት ይቐብሩ ኣብዘለውሉ እቲ ኵናት እናቐነሰ ናይ ምኻድ ምልክት ከምዘይርኣዮም ይገልፁ። ‘’እቲ ቅትለት ቀፂሉ ኣሎ’'ትብል ለታይ።’’ኣብ ቀረባ ኣብ ጥቓ ቤተ ክርስቲያን ሸውዓተ ሬሳታት ቀቢርና’’ በለት ብምውሳኽ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/residents-dig-mass-graves-to-bury-tigray-war-victims\/5925704.html"} {"headline":"ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ኣብ ጉዳይ ክልል ትግራይ ምዝርራቦም ተገሊጹ","content":"ኣሜሪካን አውሮጳዊ ሕብረትን ትማሊ ሓሙስ አብ ዘካየድዎ ሓባራዊ ናይ ቪድዮ ኮንፈረንስ፣ ቀንዲ መዘራረቢኦም፣ እቲ አብ ትግራይ ይምዕብል ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዝነበረ ተገሊጹ። ኣብ’ቲ ኣኼባ ዝተሳተፋ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት አምባሳደር ቶማስ ሊንዳ ግሪንፍልድ \"ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ጥምየት ንከጋጥም ኣይከፍቅድን’ዩ\" ክብላ ዘረበኣን ጀሚረን። እተን አምባሳደር ወሲኸን \"ብኩነታት እቶም ንጉዳይ ትግራይ ናይ ስቅታ ግብረ መልሲ ሂቦም ዝበለኦም ኣባላት ቤት ምኽሪ ቁጠዐ ዝተሓወሶ ርእይቶ ኣብ ዝሃባሉ እዋን \"እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ትግራይ ውግእ ደው ንክብል መታን ነቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዓቅሚ ክጥቀም ኣይካኣለን\" ከምዝበላ ወኪልና ጠቂሳ። አብ’ቲ ኣኼባ ዝቀረበ ቪድዮ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣከታቲሎም ንዘጋጠሙ ኩነታት ኣብ ትግራይ ዝገለጸ እዩ ነይሩ። ዳይረክተር ወፍሪ ስራሕ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ማርያ ሳንታ ማርያ፣ \"ኣንበጣ በረኻ ነቶም ናይ ደርቂ ሓደጋ ዘስገኦም ገለ ከባቢታት ኣጥቂዑ እዩ። ምስ’ቲ ውግእ ተደሚሩ ድማ ዝመጸ ምቁራጽ ስርዓተ ጥዕና ኣሎ። ዕዳጋታት’ውን የለውን። ሓረስቶት ዘርኢን ድኹዒን ስለዘይብሎም ክሓርሱ ኣይካኣሉን። ሰላም’ውን የለን። እዚ ማለት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ህዝቢ ንርእሱ ክሳብ ዝኽእል ሓገዝ ከቅርብ እዩ።\" 350 ሽሕ ህዝቢ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት፣ መሊኦም ናብ ጥምየት ዘይወደቊ፣ 2 ሚልዮን ህዝቢ ድማ ኣብ ውሕስና መግቢ ዘይብሉ ደረጃ ከምዝርከቡ ኣብ’ቲ መድረኽ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ክልላት ዓፋር፣ ኣምሓራን ካልኦትን’ውን ከቢድ ኩነታት ከምከምዘጋጠመ ዝገልጹ ተሳተፍቲ’ቲ ኣኼባ፣ ብሰንኪ ድርቂን ወራር ኣንበጣን ብሓፈሽኡ 16 ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ ጸገም ውሕስና መግቢ ኣጓንፍዎም ኣሎ ኢሎም። ናይ ኒውዮርክ ድምጺ ኣሜሪካናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስ ኣባላት ጉጅለ 7 (ጂ 7) ኣብ ዝራኸብሉ እዋን \"ኩነታት ትግራይ ኣብ ኣጀንደኦም ከምዘካትትዎ’ ገሊጾም’ዮም\" ትብል ። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዝዝርገሖ መግለጺ \"ኣብ ገለ ከባቢታት ትግራይ ዝነብሩ ሰባት ንሓደጋ ጥምየት ተቃሊዖም ዝብሉ ዝቃልሑ ሓበሬታታት፣ ኣብ ባይታ ንዘሎ ኩነታት ዘንጸባርቁ ኣይኮኑን\" ከምዝበለ ዝዝከር እዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8A%95-%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%88%AE%E1%8C%B3%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%88%AB%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5925606.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ ሓገዝ መግቢ ኣብ ክልል ትግራይ ይባጽሕ ከምዘየሎ ሰባት ይሞቱ ምህላዎም ገሊጹ","content":"ኩነተ መግቢ ኣብ ትግራይ ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ደረጃ ከምዝበጽሐን፣ ሰባት ይሞቱ ከምዘለውን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ። ብመሰረት መግለጺ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፣ ልዕሊ 350 ሽሕ ህዝቢ ትግራይ ናብራ ጥምየት የሕልፉ ከምዘለውን ሓገዝ እንተዘይቀሪቡሎም ብርክት ዝበሉ ሰባት ከምዝሞቱ ኣጠንቂቁ ኣሎ። ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ካብ ሞንጎ ሞት ኣንጻላልይዎም ዘሎ እቶም 30 ሽሕ እኹል መግቢ ዘይረኸቡ ቆልዑ ምኳኖም ጠቂሱ። ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዝሓለፈ መጋቢት ትካላት ረድኤት ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዘይተደረተ ምንቅስቃስ ክረኽቡ እዮም ኢሎም ነይሮም። ኣተሓባባሪ ወፍሪታት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ቶምይ ቶምሰን ግና እቲ ቃል’ቲ ኣይተተግበረን ይብል:: \"እቲ ኩነታት ንኩላትና ስራሕና ንምፍጻም ዘኽእል ኣይኮነን ዘሎ፣ ካብኡ ዝገደደ ትሽዓተ ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤት ተቀቲሎምና እዮም። ስለዚ ናብ ተጸበይቲ ረድኤት ንምብጻሕ ናይ ድሕነት ጸገም ኣሎና። ተጸበይቲ ረድኤት ዝተቀበልዎ ሓገዝ ብለይቲ ይዝመቱ ኣለው። ስለዚ ብወገን መንግስቲ፣ መሰረታዊ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ክሳብ ዘይመጸ፣ እቲ ቅልውላው ቀጻሊ እዩ።\" ቶምሰን ወሲኹ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ’ዘን ዝቅጽላ ሰሙናት ናብ 2.6 ሚልዮን ህዝቢ ረድኤት ንምብጻሕ ጻዕሪ ከምዝግበር ጠቂሱ ኣሎ። እዚ ክፍጸም ዝኽእል ግና መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝህብዎ ግብረ መልሲ እዩ ኢሉ። \"ኤርትራዊያን እዮም እቶም ኣዝዮም ፈጸምቲ ዘስካሕክሕ ምዕጻው መንገዲን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ዝፍጸም ግፍዒን። እዚ እዩ እቲ ዝዓበየ ጸገም ኮይኑና ዘሎ። ስለዚ ምውጻእ ወትሃደራት ኤርትራ እቲ ዝዓበየ ምፍኳስ ጾር እዩ። ብወትሃደራት ኢትዮጵያን ሓይልታት ክልል ኣምሓራን’ውን ዝፍጸሙ ዕንቅፋታት ኣለው’ዮም።\" ኣብ ባይታ ካብ ዘሎ ዘሕዝን ተጓንፎ ወጻኢ ይብል ቶምሰን ሕጽረት ገንዘብ’ውን ካልእ ጸገም ኮይኑ ኣሎ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሎም ዘበን ኣብ ትግራይ ስርሑ ንምፍጻም 203 ሚልዮን ዶላር ከምዝደልይ ጠቂሱ'ሎ። ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ \"ልዕሊ 300 ሽሕ ህዝቢ ናብ ደረጃ ጥምየት ወዲቆም ኣለው ብዛዕባ ዝተባሃለ፣ ነቲ ኩነታት ኣመልኪቱ ይወጹ ዘለው ሓበሬታታት ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ኣየንጸባርቁን፣ ሓረስቶት ኣብ ክረምቲ መታን ከፍርዩ ብመንግስቲ ይግበር ብዛዕባ ይግበር ዘሎ ጻዕሪ ክገልጹ ከለው፣ ዘለናሉ ወቅቲ፣ ናይ ዘርኢን ሕርሻን ወቅቲ እዩ። ካብ ታሓራሳይ መሬት እቲ 70 ሚእታዊት ተቀሪቡ ኣሎ። እዚ ድማ 1.5 ሚልዮን ሓረስቶት ዝሽፍን እዩ። ድኹዒ ብሚኒስትሪ ሕርሻን ካልኦትን ይዳሎ ኣሎ\" ከምዝበሉ ዝዝከር እዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%AD%E1%89%A3%E1%8C%BD%E1%88%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%A8%E1%88%8E-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%88%9E%E1%89%B1-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5925528.html"} {"headline":"ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ከይዲ ትምህርቲ ምጅማሩ ሓቢሩ እንተኾነ ኣብያተ ትምህርቲ ከተማ መቐለ ትምህርቲ ከምዘይጀመሩ ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝተቛረፀ ከይዲ ትምህርቲ ኣብዚ ሰሙን ከምዝተጀመረ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ገሊፁ:: ኣብ መቐለ ዝርከብ ሪፖርተርና ብወገኑ ተዘዋዊሩ ዝተዓዘቦም ኣብያተ ትምህርቲ: ትምህርት ከይጀመሩ ከምዝርኸቦም ሓቢሩ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል​:: ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A2%E1%88%AE-%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A8%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%8C%85%E1%88%9B%E1%88%A9-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%8A%BE%E1%8A%90-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AB%E1%89%B0-%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8C%80%E1%88%98%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5925507.html"} {"headline":"ዓለምለኸ ትካላት ኣብ ክልል ትግራይ ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልዩ'ሎ ይብሉ: መንግስቲ ግን መግለጺታቶም ካብ ባይቶ ዘሎ ዝረሓቐ'ዩ ይብል","content":"ኣሜሪካ ኣብ ትግራይ ንሰብኣዊ ረድኤት ዝውዕል 181 ሚልዮን ዶላር ከምዝለገሰት ተገሊጹ። ጥምየት ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ኣንጸልዩ ኣሎ ዝብል መግለጺታት ማሕበረ ሰብ ዓለም ግብረ መልሲ ዝሃቡ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ባይታ ንዘሎ ኩነታት ዘንጸባርቅ ኣይኮነን ይብሉ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ‘ኣብ ትግራይ 4 ሚልዮን ህዝቢ ከቢድ ጥምየት ኣንጸላልዪዎም ኣሎ፣ ኣስታት 300 ሽሕ ህዝቢ ድማ ኣብ ከቢድ ጥምየት ወዲቆም ኣለው፣ ኩነታት ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ንምፍላጥ ዘሕግዝ ሓበሬታ ምርካብ ከምዘይተኻኣለ’ውን ጠቂሱ። ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ግና ነቲ ኩነታት ኣመልኪቱ ይወጹ ዘለው ሓበሬታታት ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ኣየንጸባርቁን ይብሉ። ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ወጻኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ነዚ ናይ መንግስቶም መግለጺ ኣንጸባሪቆም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B-%E1%8C%A5%E1%88%9D%E1%8B%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%8C%B8%E1%88%8B%E1%88%8D%E1%8B%A9-%E1%88%8E-%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8C%8D%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA%E1%89%B3%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%88%93%E1%89%90-%E1%8B%A9-%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%8D\/5924218.html"} {"headline":"ግብረ መልሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመግለጺ ኣርባዕተ አባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ","content":"ኣርባዕተ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጲያ ኲናትን ዘብፀሖ ዘሎ ሓደጋን ቀፂሉ ኣሎ ክብሉ ምኹናኖም ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ምሕባሮም ዝዝከር እዩ ። እቲ መግለፂ \"ብሚልየናት ዝቁፀር ህዝቢ ንጥምየት ተቃሊዑን ተመዛቢሉን \" ይብል ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን \" ማሕበረሰብ ዓለም ዘይተፃረየ ሓበሬታ ተቀቢሉ ብምግዋሕ ዝሓዞ መርገፂ እዩ\" ይብል። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%88%AD%E1%89%A3%E1%8B%95%E1%89%B0-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-\/5924177.html"} {"headline":"ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕ\/ሃ ኣብ ህላወ ወታሃደራት ሶማል ኣብ ክልል ትግራይ ሓድሽ መርትዖ ምቕራቡ ሓቢሩ","content":"ንስልጠና ናብ ኤርትራ ዝተልኣኹ ኣሽሓት ወታሃደራት ሶማል ኣብ ግጭት ትግራይ ምስታፎም ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሓዱሽ መርትዖ ድሕሪ ምቕራቡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሶማል ድፍኢት ይሕይል ኣሎ። ወለዲ ናይቶም ዝጠፍኡ ወታሃደራት ነቲ ኽሲ ንዝነፀጉ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ፋርማጆ ይኸሱ።ናይ ፓርላማ ኮሚቴ እቶም ወታሃደራት ኣበይ ኣተው ንዝብል ምርመራ ክካየድ ይሓትት ኣሎ። ኣብዚ ሰሙን ዝወፀ ሓደ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ፀብፃብ ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠኑ ወታሃደራት ሶማል ኣብ ኵናት ክልል ትግራይ ተሳቲፎም ይብል።መንግስቲ ሶማል ግን ወታሃደራቱ ኣብ ትግራይ ኣይተሳተፉን ክብል ብተኸታታሊ ክነፅጎ ፀኒሑ ኣሎ። ወለዲ ናይቶም ወታሃደራትን መራሕቲ ተቓወምትን እንተሓተቱ እውን ፕረዚደንት ፋርማጆ ብዛዕባ እቶም ወታሃደራት ዛጊት ርእይቶ ዛይሃቡን። ኣብ ፓርላማ እታ ሃገር ኮሚቴ ጉዳያት ወፃእን ዓለምለኸ ርክባትን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት መብርሂ ክወሃቦ ክልተ ደብዳበታት እንተለኣኸ እውን መልሲ ኣይረኸበን። ኣባል ኮሚቴ መሓመድ ሓሳን ኢድሪስ እቶም ፕረዚደንት ንጉዳይ ሃገራዊ ድሕነት ሓላፍነት ክወስዱ ኣለዎም ይብሉ። ኣብ ሰነ 2018 መራሕቲ ሶማል፣ኢትዮጵያ ኤርትራትን ኣብ ፀጥታ፣ፖለቲካውን ቁጠባውን ምትሕብባራት ስምምዕ ፈሪሞም እዮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%88-%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%8B%96-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%88%AB%E1%89%A1-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5924160.html"} {"headline":"ሪፖርት ሁማን ራይትስ ዎች ኣብ ጉዳይ ኣብ ኦሮምያ ዝተቐትለ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ","content":"ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ንሓደ ወዲ 17 ዓመት ኣብ ፀሓይ ዓራርቦ ከምዝቐተሉዎ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ገሊፁ።ኣማኑኤል ወንድሙ ኣብ ኣደባባይ ምርሻኑ ኣብታ ሃገር ሓይልታት ፀጥታ ዝፍፀምዎ በደል ተሓተቲ ዘይምዃኖም ዝሕብር እዩ ኢሉ ኣሎ። ሁማን ራይትስ ዎች ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ንዝወፀ ቪዲዮ ብምጥቓስ 11 ግንቦት 2021 ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ከተማ ደምቢዶሎ ንኣማኑኤል ሒዞም ብምቕጣቃጥ ኣብቲ ዕለት ኣብ ኣደባባይ ረሺኖምዎ ይብል ። ብኻልእ ወገን እቲ ተግባር ምፍፃሙ ዝገለፁ ምኽትል ሓላፊ ፀጥታ ኢንስፐክተር ኣሕመድ ያስን ኣብ ልዕሊ ኣማኑኤል ዝተወስደ ስጉምቲ ብምርግጋፅ ‘'ሲሳይ ፊዳ ንዝተባህለ ጋዜጠኛ ቶኲሶም ብምቕታል ካብ መንጎ ዝተርጠሩ ምዃኑ ባዕሉ ኣረጋጊፁልና እዩ’’ኢሎም ኣለው። ወላዲ ኣቡኡ ንኣማኑኤል ኣቶ ወንድሙ ከበደ ግን ውላዶም ፖሊስ ዝበሎ ገበን ፈፂሙ ኢሎም ከምዘይኣምኑ ብምግላፅ \"ወደይ ብገበን ዝጥርጠር እንተዝኸውን እውን ካብ ዝቕተል ኣብ ቅድሚ ዳኛ ክቐርብ ነይሩዎ’’ኢሎም። ምኽትል ሓላፊ ፖሊስ ዞባ ቀሌም ወለጋ ኢንስፔክተር ኣሕመድ ያሲን ግን ካብ ፖሊስ ከምልጥ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን እዩ ተቐቲሉ ኢሎም። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ደምቢዶሎ ኣማኑኤል ወንድሙ ብዘይፍርዲ ዝተቐትለሉ ኣገባብ ኣተሓሳሲቡኒ ክብል ብምሕባር ተፃሪዩ ስጉምቲ ክውሰድ ዘተሓሳስብ መግለፂ ኣብቲ እዋን ኣውፂኡ ነይሩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AA%E1%8D%96%E1%88%AD%E1%89%B5-%E1%88%81%E1%88%9B%E1%8A%95-%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%89%B5%E1%88%B5-%E1%8B%8E%E1%89%BD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%90%E1%89%B5%E1%88%88-%E1%8B%88%E1%8B%B2-17-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AD\/5924140.html"} {"headline":"መቐለ: 405 ሚልዮን ብር ወጻኢ ዝተገብረሉ ፕሮጀክት ሓይሊ ኤሌትሪክ ተመሪቑ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሩ","content":"ኣብ ዙሪያ ከተማ መቐለ 405 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ዝተገበረሉ ፕሮጀክት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብናይቲ ክልል ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግዚያዊ ምምሕዳር ዶክተር ኣብርሃም በላይ ተመሪቑ ኣገልግሎት ምሃብ ምጅማሩ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ። እቲ ዜና እቲ ፕሮጀክት ን25 ሽሕ መራሕቲ ስድራ ተጠቀምቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝገብር ተገሊፁ ይብል።ዶክተር ኣብሃም \"ንዓመታት ብሕፅረት ሓይሊ መብራህቲ ይፅገሙ ዝነበሩ ጣቢያታት ብርሃን ክረኽቡ ምኽኣሎም ዝለዓለ ታሕጓስ ይስምዐኒ’’ ኢሎም ። ቅድሚ ሎሚ ተጀሚሩ ዝነበረ ፕሮጀክት ወይ ሓዱሽ ዝተሰርሕ ምዃኑ ግን ብመንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ዝቐረበ ፀብፃብ ኣይገለፀን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-405-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%AD-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%89-%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%80%E1%8A%AD%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%8A%A4%E1%88%8C%E1%89%B5%E1%88%AA%E1%8A%AD-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%AA%E1%89%91-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%83%E1%89%A5-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9\/5924126.html"} {"headline":"160 ሚልዮን ካብ ህጻናት ዓለም ኣብዚ እዋን ዓለምለኸ ለበዳ ኣብ ግዱድ ሸቕሊ ከምዝተዋፈሩ ሕ\/ሃ ኣፍሊጡ","content":"160 ሚሊዮን ቆልዑ ዓለም ኣብ ግዱድ ሸቕሊ ተዋፊሮም ከምዝርከቡ ሓደ ሓዱሽ መፅናዕቲ ኣፍሊጡ።ካብ 2016 ዝነበረ ጸብጻብ ብ8.4 ሚሊዮን ወሲኹ ኣሎ። ዓለምለኸ ናይ ሰራሕተኛ ውድብን ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራትን ብሓባር ኣብ ዘውፅእዎ ፀብፃብ ለበዳ ኮቪድ19 ነቲ ብዓንተብኡ እውን ዘሰክፍ ዝነበረ ኩነታት ኣግዲዱዎ ኣሎ ይብል። ብመሰረት እቲ መረዳእታ ኣስታት ፍርቂ ወይ 79 ሚሊዮን ህፃናት ንኣካላዊ፣ ኣእምሮኣዊን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ክቐትል ኣብ ዝኽእል ሓደገኛ ስራሕ ተዋፊሮም ይርከቡ። ነዚ ንምቕያር ሓፈሻዊ ረብሓታትን ፅፉፍ ትምህርትን ክሕልው ህጻናት ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለሱ ዝገብር ብቑዕ ማሕበራዊ ሓለዋ ክረጋገፅ ክልቲኦም ዓለምለኸ ውድባት ፀዊዖም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8C%BB%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%9A-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%88%88%E1%89%A0%E1%8B%B3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%8D%E1%8B%B1%E1%8B%B5-%E1%88%B8%E1%89%95%E1%88%8A-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%8B%E1%8D%88%E1%88%A9-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5924101.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ዶ\/ር መረራ ጉዲናን ታየ ደንደኣን ኣብ ጉዳይ ምርጫ ኢትዮጵያ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 28 ግንቦት 2013 ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ናብ 14 ሰነ 2013 ማለት እውን ኣብ ዝመፅእ ሰሙን ክካየድ ምውሳኑ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ምሕባሩ ይዝከር ። ምርጫ ዝካየደሎም ከባቢታት መዝገባ መረፅቲ ተማልኡ ኣብ ዝተኻየደሉ ጥራሕ ምዃኑ ተሓቢሩ እዩ ። ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ዝካየድ ምርጫን ካልኦት ጉዳያትን ኣልዒሎም ምስ ጉጅለ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጂፍሪ ፌልትማን ዝተዛራረቡ ኣቦ መንበር ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ዶ\/ር መራራ ጉዲና ከምኡ'ውን ፤ኣብ ጉዳያት ምርጫ ድማ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ወሃቢ ቃል ታየ ደንደኣ ርእይቶኦም ሂቦም ኣለው። \"ኣነ ብወገነይ እዚ ምርጫ: ምርጫ ኣይመስለንንዘሎ ።ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ንኹሎም ሰብ ብፅሒት ዘሰማምዕ መሰረታዊ ኣብ ዝኾነ ናይ ምርጫ ይኹን ካልኦት ሃገራዊ ጉዳያት ኣንፈቱ ዝነፀረ ሃገራዊ ምርድዳእ ክፍጠር ይግባእ ። እንተ በዚ ሐጂ ዝኸዶ ዘሎ እንተኾይኑ ግና ከምቲ ኢህወደግ ዝለመዶ ናይ ሓደ ፓርቲ ልዕልና ዝነገሰሉ ዓይነት ፀወታ ዝፃወት እንተኾይኑ ነቲ ዋጋ ዝተኸፍሎ ለውጢ ከንቱ ምትራፍ እዩ ኢልና እዚ ናይ ትግራይ ህልቂት ቅድሚ ምኽሳቱ ንሰለስተ ዓመታት ክንሓትት ፀኒሕና ዝተረኽበ መፍትሒ ግን የለን ። ኣብ እዋን ንጉስ፣ ደርጊ ኮነ ኢህወደግ ምርጫታት ነይሮም እዩም እዚ'ውን ካብኡ ዝተፈለየ ኣይመስለንን ። \" ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣብ ምርጫ ንኽሳተፉ ቦርድ ምርጫ ፍቃድ ዝሃቦም ከባቢ 50 ዝፅግዑ ፓርቲታት ፖለቲካ ንሰለስተ መዓልታት ዝፀንሐ ኣኼባ ኣካይዶም ኣብ ሽዱሽተ መሰረታዊ ነጥብታት ተሰማሚዕና ነይርና ዝበሉ ዶ\/ር መራራ እቲ ኣኼባ ተወከልቲ ገዛኢ ፓርቲ ፣ሽማግለታት ዓዲን ሞንጎኛታትን እዮም ዝተባህሉ ሰባት ኣብ ዝተረኽብሉ እዩ ኢሎም። ካብቶም ሹድሽተ ነጥብታት ዝበልዎም እቲ ሓደ ቅድሚ ምርጫ ክዕመሙ ኣለዎም ዝበልናዮም ንምርጫን ዝሕግዙ ጉዳያትን ከም ባይታ ፖለቲካ ምስፋሕ ፣ጉዳይ እሱራት ፖለቲካ ፍታሕ ክረክብ ፣ቦርድ ምርጫ ካብ ፖለቲካን ተጽዕኖ መንግስቲ ዝወፀን ነፃን ክኸውን እዚኦምን ዝኣምሰሉን ምስ ምርጫ ተኣሳሲሮም ክኮኑ ከለዉ ካልኦት ሓሙሽተ ነጥብታት ድማ ድሕሪ ምርጫ ብዝሃድአ መንፈስ ንኣብነት ብዛዕባ ሕገ መንግስቲ ዝምልከቱ ጉዳያት ክንምለሶ ኢና ኢልና ተፈላሊና ። ስጋብ ሕጂ ግና ሓደ ዝተጨበጠ ነገር ከይገበርና ናብ ምርጫ ኣቲና ኢሎም ። ኣቶ ታየ ደንደኣ ግን ብኣንፃሩ ብመዳይ መንግስቲ ብተደጋጋሚ ዘተታት ምክያዶም ይዛረቡ ። \"ብመዳይ መንግስቲ ብርክት ዝበሉ ዘተታት ተኻይዶም እዮም። ሕጂ'ውን ብመዳይ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ዘተታት ይካየዱ ኣለዉ ። መተሓዳደሪ ደንበ ኣውፂኦም ኣብ ሃገራዊ ስምምዕ ክብፃሕ ኣለዎ ነዚ ዘረጋግፅ ድማ ክግምገም ኣለዎ ዝብል እዩ ። እዚ ድማ እቲሓደ ዝረጋገፀሉ ብምርጫ እዩ ። ስለዚ ነዚ ዝሰርሕ ኣካል ተጣይሹ እንዳተሰርሓሉ ይርከብ። እዚ ኾይኑ እናሃለወ ግን ምስ ኦፊኮ ንብሕትና ኣብ ክልልና ዝገበርናዮ ዘተ ካብ ዝተሰማማዕናሎም ነጥብታት ሓደ ክዕረዩ ዘለዎም ነገራት እንተልዮም ዋላ ሕገ መንግስቲ ዝምልከት ጉዳይ እውን እንተኾነ ክመሓየሽ ከምዝኽእል እንተዘይኮይኑ ግና ክኽበር ከምዘለዎ ኢና ተዛቲና ። ይኹን እምበር ሽዑ ንሽዑ እዩም ኣፍሪሶሞ ።\" ዶ\/ር መራራ ግን ብኸምዚ ዓይነት ኩነታት ዝካየድ ምርጫ ልፍዓት እንተዘይኮይኑ ዝመፅእ ለውጢ ኣይህሉን ስለዝበልና ኢና ካብ ምርጫ ተደፊእና ወፂእና ይብሉ ። ኣብ ኦሮምያ ክንደይ ዝኣኽሉ ፓርትታት እዮም ኣብ ምርጫ 2013 ዝሳተፉ ንዝብል ዶ\/ር መራራ ከምዚ ይብሉ ። \"ኣብ መብዛሕትኡ ክልል ኦሮሚያ ተወዳዳሪ ፓርቲ ብልፅግና ጥራሕ እዩ ። ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ምናልባት ክህልዉ ይኽእሉ ። ካብ 183 መንበራት ካብ ሲሶ ንላዕሊ ሓደ ፓርቲ እዩ ዝወስዶ ማለት እዩ ። ምርጫ እንተተባሂሉ ምውድዳር ክህልው ይግባእ ። ብምዃኑ ክልል ኦሮሚያ ካብ ምርጫ ወፃኢ እዩ:: ትግራይ ካብ ምርጫ ወፃኢ እዩ ፣ ቤንሻንጉል፣ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ደቡብ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ከባቢታት ቅማንትን ዞባ ኦሮሚያን ኣብ ዝበሃሉ ከባቢታት ጎንደር ሰላም የብሎምን ብሓፈሻ ልዕሊ 50% ከባቢታት ኢትዮጵያ ወይ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ምርጫ እዩ ዝካየድ ወይ ድማ ምርጫ ኣይካየደሉን ። \" ዶ\/ር መራራ ወሲኾም ንሕና ኮነ ተባሂሉ ካብቲ ምርጫ ክንወፅእ ዝተገብረ ብልፅግና ፓርቲ ኦሮምያ ንኦነግን ኦፌኮን ክስዕረሉ ዝኽእል ዓቅሚ ከምዘይብሉ ስለዝፈልጥ እዩ ይብሉ ። \"ኣባላትና ይእሰሩ ፣ ካብ ዝነበሩና 206 ቤት ጽሕፈታት አብዚ እዋን ሰለስተ ቤት ጽሕፈታት ጥራሕ እዮም ዘለዉና ። እቶም ዝተረፉ ብግዲ ይኹን ብድልየት ክዕፀዉ ገይሮም እዮም ። እዚ ኹሉ ፀቅጢ ኣብ ልዕሌና ክወርድ ዝኸኣለ ብልፅግና ኣብ ኦሮምያ ክስዕር ከምዘይኽእል ስለዝተረደአ እዩ ።\" ታየ ደንደኣ ግና ምስ'ዚ ኣይሰማምዑን ። \"ተደጋጋሚ ከምዚ ዓይነት ክስታት የልዕሉ እዮም ይኹን እምበር እንትርፎ ሓደ ቤት ፅሕፈት ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ዝነበረን እቲ ገዛ ናይ ቀበሌ ገዛ ብምኳኑ ንናይ መንግስቲ ስራሕ ተዳልዩ ስለዝነበረ ካልእ ቅያር ክወሃቦም'ውን ተወሲኑ እዩ ። ካብኡ ወፃኢ ግን እቶም ዝተዓፅዉ ቤት ፅሕፈትታቶም ኣበይ ከምዝተዓፅዉ ክሕተቱ ከለዉ ዝህብዎ መልሲ የለን ። ንኣብነት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘለዉ ክልላት ምርጫ 187 እዮም ንሳቶም ተዓፅዮምና ዝብልዎምም ቤት ጽሕፈታት ድማ 203 እዩ ። ክንድ'ዚ ቁፅሪ ንሕና'ውን የብልናን ። \" ነቲ ዶ\/ር መራራ ጉዲና ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብቲ ምርጫ ክንወፅእ ተገይርና ኢና ክብሉ ዘቅረብዎ ክሲ ኣቶ ታየ ደንደኣ ድማ እዚ ዝካየድ ዘሎ ምርጫ ኣሳታፋይ ብምዃኑ ኣብቲ ምርጫ ክሳተፉ ይፅውዑ። \"ብመዳይና ካብቶም ኣብ 2002:2007 ካብ ዝተገብሩ ምርጫታት ዝበለፀን ዝሐሸን ኣሳታፊ እዩ ። ሚድያ ነፃ እዩ ። ቦርድ ምርጫ'ውን ነፃን ቅድሚ ሐጂ ካብ ዝነበሩ ዝሐሸ እዩ ። ካልኦት ዴሞክራሲ ዝድግፉ ቤት ጽሕፈታት፣ ናይ ፀጥታ ኣካላት ምርኣይ ይከኣል እዩ።ኣዝዩ ነፃን ኣሳታፍን እዩ እቶም ዝወፁ ንኽምለሱ ሽማግለ ሰዲድና ካብ ምልማን ወፃኢ ሕጊ ምኽባር እምበር ብፖለቲካ ምኽንያት ዘብፃሕናዮ ተጽዕኖ የለን።\" ዶ\/ር መራራ ጉዴና ንህዝቢ ዘድልይዎ ወሰንቲ ነገራት ኣብዘይተማለአሉ ከም ሰላምን ምርግጋኣትን ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ነፃን ፍትሓዊን ምርጫ ተኻይዱ ዴሞክራሲ ኣይውለድን ፤ ሳልሳይ ብዝተፈላለየ መንገዲ ካብ ዓዶም ክሓልፈሎም ናብ ስደት ክውሕዙ ከለዉ ኣደዳ ባሕርን በላዕትን ዝኾኑ መናእሰይ በዚ ምርጫ ተስፋ ገይሮም መገዲ ልምዓትን ዕብየትን ዘግብር እንተዘይ ኮይኑ ነዚኦም ዘየማልእ ምርጫ ዋጋ የብሉን ኢሎም ። ኣቶ ታየ ደንደኣ ድማ ንሕና ዘረጋገፅናዮ ሓቂ ነዚ ዘርኢ ኣይኮነን ብፍላይ ነቲ መንእሰይ ኣዘራሪብናዮ ኢና ሕጂ ሰላምን ናፅነትን ከምዝረከበ ፣ ንሳቶም ትሸዓተ ጊዜ ዝፀዉዕዎ ዓመፅ ኣይንቅበልን ኢሉ ብሰላም ሰሪሑ ክነብር ዝመርፅ መንእሰይ እዩ ዘሎ ኢሎም ። ኣቶ ታየ ደንደኣ እቲ ፀገም ፖለቲካዊ ዘይኮነስ ቁጠባዊ ፀገም እዩ ሐጂ ዘለዎ ይብሉ ። \"ፖለቲካዊ ፀገም የለን ቁጠባዊ ፀገም እዩ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ። ካብ ሎሚ ንደሓር በቃ ነፃ ኢና ስለዝተባህለ ጥራሕ ኩሉ ነገር ብዝኣክል ምንቅስቃስ ምህርትታት ኣይዘይህሉን ፣ ግዘ ዝሓትት፣ምምሕያሽ ፖሊሲ ዝሓትት እዩ።ብሙኳኑ ምናልባት ንስደት ዝወፁ ክህልዉ ይክእሉ እንተኮነ ግን ብፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዝህሉ ፀገም ግን የለን ። ዶ\/ር መራራ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፌልትማን ተራኺቦም ክዘራረቡ ቆፀሮ ዝነበሮም ኮይኑ ምስ መንግስቲ ዝነበሮም ዘተ ስለ ዘይወድኡ ተባሂሉ ምስ ኣርባዕተ ኣባላት ምስ ፊልትማን ዝመፁ ሰባት ተዘራሪቦም 'ዮም ። \" ብዝተፈላለዩ ቅልውላዋት ትጥቃዕ እያ ዘላ ብዛዕባ እቲ ዘሎ ኩነታት'ውን ዘቲና ። ካብ ፈተውቲ ኢትዮጵያ እንታይ ትፅቢት ከምእንገብር ፣ ንሕና ካብቲ ምርጫ ከመይ ተደፊእና ከምዝወፃእና ዘርኢ ብዝርዝር ሽዱሽተ ነጥብታት ኣቐሚጠ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኡኡ እንተዘይተጓዒዙ መፃኢ ዕድል ሃገርና ፀልማት ክኸውን ከምዝኽእል ኣረዲኤዮም እየ ። ' ዶ\/ር መራራ ጉዴና ምስ ጀፍሪ ፌልትማን ዝመርሕዎ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ተራኺቦም ዘልዓልዎም ሽዱሽተ ነጥብታት ካብ ዝበልዎም እቲ ሓደ ህዝብን ፖለቲካዊ ሓይልታትን እዛ ሃገር ናብሓደ ምርድዳእ ክመፅእ ዝኽእል ሃገራዊ ስምምዕ ክፍጠር ይግባእ ፣ ናይ ሓደ ፓርቲ ፀወታ ጥራሕ ከሰጉመና ዝኽእል ኣይኮነን ፣ ነገራት ብሓይሊ ክፈትሑ ዝፍትንዎ ነገር ቅድሚ ሕጂ'ውን ተፈቲኖም ዘይሰርሑ እዮም ። ካብ ድሕሪ ሕጂ'ውን ዘይሰርሑ እዮም ክብሉ ንገሊኦም ዘርዚሮምዎም እዮም ። ካብቲ ዘተኦም እንታይ ትፅቢት ከምዝገብሩ ንዝብል ድማ \"ኣብ ሃገርና ዘሎ ፀገም ሕጂ ማሕበረሰብ ዓለም ክርደኦ ዝጀመረ ይመስለኒ ። ኣነ ዝሓቶም ተኪኦም ክዋግኡልና ፣ ክሰርሑልና ወይውን ፍታሕ ከምፅኡልና ኣይኮነን ፤ ሓይልታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኮኑ ህዝብታት ኢትዮጵያ ደለይቲ ሰላም ምኳኖም ፣ ልምዓትን ዕብየትን ንደሊ ምኳናን በዚኦም ንኽሕግዙናን ክፈልጡልናን እዩ። እዚ ድማ ንሳቶም ተፈቲዮም ዘይዕወተሉ መንገዲ የለን ።\" ኣብ መወዳእታ ዶ\/ር መራራ ጉዲና ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ሓፈሻዊ ፀገም ፍታሕ ክኾን ይኽእል እዩ ዝበልዎ ሓሳብ ሓቢሮም ። \"ኣነ ዝመስለኒ በብቦትኡ ንዝፍጠሩ ፀገማት ብተኹሲ ክፍታሕ ምሕሳብን ምፍታንን ጠጠው ክብል ይግባእ ብምዝርራብን ምርድዳእን ተዝፍታሕ ይምረፅ ፤ ካልእ ብፍላይ በዚ ኢትዮጵያ ሕጂ ዘላትሉ ኩነታት ሃገራዊ ስምምዕ ኣብዘይብሉ ምርጫ ክካየድ ምሕሳብ ፀወታ እዩ ዝኸውን መሰረታዊ ፀገማትና ኣይፈትሕን ፣ ብፍላይ ናይ ሓደ ፓርቲ ፍኖተ ካርታ ስድሪ ዘሰጉመና ኣይኮነን ፤ብዘይኮነ መንገዲ ዝተኣሰሩ መራሕቲ ፖለቲካ ኣለዉ ንሳቶም ዝፍትሕሉ መገዲ ክተዓራረይ ይግባእ ። ካብ ምዝታይ ወፃኢ ዝረኣየኒ ፍታሕ የለን ፀገማተን ብዘተ ክፈትሓ ዝፈተና ሃገራት ተዓዊተን እየን ።\" ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%88%A8%E1%88%AB-%E1%8C%89%E1%8B%B2%E1%8A%93%E1%8A%95-%E1%89%B3%E1%8B%A8-%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%8A%A3%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-\/5924062.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ሓዲሽ ናይ ዝዋፈር ኩባንያ ተለኮም ወግዓዊ ናይ ምፍርራም ስነ-ስርዓት ተፈጺሙ","content":"ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን ናይ ኬንያ ፕረዚደንት ኡሁሩ ከንያታን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ኢትዮጵያ ሓዲሽ ናይ ዝዋፈር ኩባንያ ተለኮም ወግዓዊ ናይ ምፍርራም ስነ-ስርዓት ተፈጺሙ። እቲ ስምምዕ ፍቓድ ስራሕ ምሃብ`ዩ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብቲ እዋንሓድሽ ኣገልግሎት ተለኮም ናብ ኢትዮጵያምእታው ኣብ ኩሉ ጽላታት ምብርባር ክፈጥር'ዩ ኢሉ:: ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣብ ተለኮም ዝፍጠር ውድድር ናይ ኢትዮጵያ ዲጂታላይዘሽን ብምቅልጣፍ ኣብ ሕርሻ: ትምህርቲ: ጥዕና: ፋይናንስ: መጉዓዝያን ካልኦትን ልዑል ዕብየት ሒዙ`ዩ ዝመጽእ ኢሉ ። ብመሰረት ጸብጻብ ፋና ነቲ ስምምዕ ዝፈረመ፡ ዓለም-ለኸ ምትሕብባር ንኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ዝብል ጽላል ዝጥርነፉ ሳፋሪ-ኮም ቮዳኮምን ሱሚቶሞ ዝተባህሉ ኩባንያታት ዝሓቖፈ`ዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%93%E1%8B%B2%E1%88%BD-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8B%8B%E1%8D%88%E1%88%AD-%E1%8A%A9%E1%89%A3%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%88%88%E1%8A%AE%E1%88%9D-%E1%8B%88%E1%8C%8D%E1%8B%93%E1%8B%8A-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%88%AB%E1%88%9D-%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%99\/5922600.html"} {"headline":"ጸብጻብ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ዓይደር ሆስፒታል ከተማ መቐለ","content":"ሪፖርተር ድምጺ ኣመሪካ ሀዘር መርዶክ ትማልን ሎምን ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ምስ ዝሰርሑ ሰብሞያን ግዳያት ጾታዊ ዓመጽን ዝገበረቶ ጻንሒት ከምዚ ክትብል ትገልጽ:: \" ሰራሕተኛታት'ቲ ሆስፒታል ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ንኹሎም ሕሙማት ዘጋጥሙ ዘለዉ ጸገማት'ውን ብውሕዱ ነጊሮምኒ'ዮም።ንኹሉ ብሓፈሻ ዝጎድኡ'ዮም። ንነዊሕ ግዜ ናይ ኤለክትሪክ ኣገልግሎት ብዘይምንባሩ ዝበዝሐ መሳርሕታት ኣዕምዩሎም'ዩ። ሕጂ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ተመሊሱ'ሎ። ኾይኑ ግን ንተሓከምቲ ንምክንኻን ዘኽእሎም መሳርሕታት ንምትካእ ኣይክኣሉን። ካብ ዘዘራረብክወን ተሓከምቲ መብዛሕቲአን ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ዝኾና ደቀንስትዮ'የን። እዚ ጸገም'ዚ ኣብ ትግራይ ብስፍሓት ዝርኣይ'ዩ።ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ኣዋርሕ ካብ 500 ዝበዝሓ ጾታዊ ዓመጽ ዝተፈጸመን ደቀንስትዮ ናብ'ቲ ሆስፒታል ከምዝመጻ ነጊሮምና።\" ጋዜጠኛ ሀዘር፡ ኩነታት'ተን ተጠቃዕቲ ካብቲ ልሙድ ፍልይ ዝበለ ምዃኑ ከምኡ'ውን ግዳያት ብቕልጡፍ ሕክምና ከይረኽባ ይገብር ምህላዉን ሓላፊት ማሕበራዊ ኣገልግሎት'ቲ ሆስፒታል ነጊራትኒ ትብል፥\" ንሳ ከም ዝበለትኒ ብልሙድ ከምኡ ዓይነት ኣገልግሎት ንምርካብ ዝደልያ ደቀንስትዮ ናብ ሕክምና ዝመጻ ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ ንጽባሒቱ'የን ዝመጻ። ሕጂ ግን ብምኽንያት ኩናት መንገድታት ብምዕጻዎም፡ ከምኡ'ውን ብፍርሓትን በቶም ዝዓመጽወን ክንቅተል ኢና ብዝብል ስግኣት ናብዚ ቅድሚ ምምጽአን ሓደ ሓደ ግዜ ንኣዋርሕ ይጸንሓ። በዚ ምኽንያት እተን ደቀንስትዮ ኣብ ግዚኡ ክረኽብኦ ዝግባእ ኣገልግሎት ሕክምና ከይረኸብኦ ይድንጉያ። ስለዚ ሰለስተ ኣዋርሕ ደንጉየን እንተመጺአን፡ ጥንሲ ኾነ ተመሓላላፊ ሕማማት ምቁጽጻር ኣይክኣልን።\" ጋዜጠኛ ሀዘር ካብተን ዝተዓመጻ ዝሰምዓቶ ዘጨንቕ ሓዲሽን ተመሳሳልን ምዃኑ ትጠቅስ። ነቲ ገበን ዝፈጸሙ ካብ ሓደ ንላዕሊ ብዝኾኑ ወተሃደራት ከምዝኾነ ከምዝነገርዋ'ውን ትገልጽ፣\" ገና 16 ዓመት ዝኾና ኣንስተይቲ ኣዘራሪብና። ሓንቲ ናይ ኮለጅ ተመሃሪት ከምዝነበረት ዝነገረትና ካልእ ጓል 22 ዓመት ድማ፡ ናብ ሰራዊት ክትስለፍ ዝሓተትዋ ወተሃደራት እምቢ ብምባላ ኣብ ገዝኣ ከምዝዓመጽዋ ትዛረብ። ሕጂ ኣብዚ ኣብ መቐለ ዝርከብ መዕቆቢ ትነብር ኣላ ኢሎምና ግን ናብቲ መዕቆቢ ክንከይድ ኣይክኣልናን- ናይቲ ቦታ ምስጢርነት ክሕሎ ደልዮም ኣለዉ::\" ሀዘር ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ ኢላ ዝጠቐሰቶ ንሕክምና ናብ መቐለ ካብ ዝመጻ ዝበዝሓ ካልኦት ደቀንስትዮ ሕጂ'ውን ዘይምምጽአን ምስምዓ ምዃኑ ሓቢራ'ላ። እተን ደቀንስትዮ እቲ መጥቃዕቲ ዝወረደን ብወተሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ምዃኑ ከምዝዛረባ ነዚ ዘቕርብኦ መረዳእታ ድማ ናይ ወተሃደራት ዩኒፊርምን ቋንቋን ምዃኑ ትገልጽ። ኣብ ከተማ መቐለን ከባቢኣን ዘሎ ኩነታት ናይ ምምሕያሽ'ዶ ወይስ ናይ ምግዳድ ምልክት ይርኣዮ'ሎ ዝብል ሕቶ ዝቐረበላ ሀዘር መርዶክ ከምዚ ዝስዕብ ክትብል መሊሳ፥\"እቲ ግጭት ብርግጽ ቀጺሉ'ዩ ዘሎ። እቲ ውግእ ምናልባት እናረሓቐ ወይ እናዘሓለ እንተመጸ'ኳ ሕጂ'ውን ብተደጋጋሚ ይኽሰት'ዩ። ኣብ መቐለ እቲ ኩነታት ዝተረጋግአ እንመሰለ'ኳ ምሸት ወተሃደራት ናብ ሆስፒታል ክመጹ ርኢና ኢና። ሰብ ሞያ ሕክምና ብብመዓልቱ ካብ ዝካየድ ውግእ ዝመጹ ወተሃደራት ይሕክሙ ምህላዎም ነጊሮሙና'ዮም። በቲ ኩናት ዝቖሰሉ ሕጻናት'ውን ነቲ ሆስፒታል መሊኦሞ ኣለዉ።\" ናብቲ ቦታ ዝተጓዓዘት ጋዜጠኛ ሀዘር መርዶክ ካብቲ ሆስፒታል ወጻኢ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ድማ ከም ሓውዜን ዝኣመሰሉ ተደጋጋሚ ውግኣት ዘተኣናገዱ ስፍራታት ኣገልግሎቶም ከምዝዓነዉ፡ ነበርቲ'ውን ድሕነት ከምዘይስምዖም፡ኣብቲ ኩናት ዝሞቱ ብጅምላ ዝተቐብሩ ኣዝማዶም ብደንቢ ቤተ ክርስትያን ንክቕበሩ ድጋፍ ሰበስልጣን ይሓቱ ከምዘለዉ ነጊሮምና ትብል ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%B8%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%8A%AA%E1%88%8D-%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%8B%AD%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%88%86%E1%88%B5%E1%8D%92%E1%89%B3%E1%88%8D-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88\/5921309.html"} {"headline":"መግለጺ 4 አባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ","content":"ኣርባዕተ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ \"ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈጸመ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ህውከትን ዝኹንን\" ረቂቅ ሕጊ ናብ’ቲ ቤት ምኽሪ ድሕሪ ምቅራቦም መግለጺ ኣውጺኦም። ኮንግረስማን ግሪጎርይ ሙክስ፣ ሚካኤል ማኩልን ክሪስቶፈር ስሚዝን ምስ ኣባል ቤት ምኽሪ ወ\/ሮ ከረን ባስን ትማሊ ኣብ ዝዘርግሕዎ መግለጺ \"ነቲ ኣብ ትግራይ ቀጺሉ ዘሎ ውግእን ግፍዒን ከምኡ'ውን ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ዝራአይ ዘሎ ግጭትን መግሃስቲ መሰላትን ብጽኑዕ ንኹንን\" ኢሎም። እቶም ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ናይ ትግራይ ውግእ \"ንነበርቲ ከባቢታት ኣጥፊእዎም እዩ፣ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ኣፈናቂሉ፣ ንኣስታት 5 ሚልዮን ናብ ኣፍ ጥምየት ኣብጺሕዎም፣ ንሙሉእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣናዊጽዎ፣ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ዓንቀፍቀፍ ዘይብሉ ስራሕ ንክዓዩ ክፍቀደሎም ኣለዎ\" ይብሉ ። ኣብ’ቲ ውግእ ዝሳተፉ ኩሎም ሓይልታት፣ ውግእ ብቅጽበት ደው ከብሉን ናብ ኩሉ ሓቆፍ ልዝብ ክምለሱን፣ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብህጹጽ ንክወጹ ዝኣተውዎ ቃል ክትግብሩ፣ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን፣ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ግፍዒ ንከጻርዩ ዘይተደረተን ስልጣንን ንክረኽቡን’ውን ኣርባዕቲኦም ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣተሓሳሲቦም። ኢትዮጵያ ዘዳለወቶ ምርጫ፣ ነጻ፣ ርትዓዊን ተኣማኒን ኮይኑ ክፍጸም’ዶ ይኽእል? ኢሎም ዝሓቱ እቶም ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ፣ እቲ ምርጫ መረሳሰኒ ህውከትን ዕግርግርን ከይኾን ህጹጽ ቆላሕታ ክግበር ኣለዎ ይብሉ። ግሪጎርይ ሙክስ፣ ሚካኤል ማኩል፣ ከረን ባስን ክሪስ ስሚዝን ኣብ ዝዘርግሕዎ ሓባራዊ መግለጺ ብመንጽር ሻውዓይ ወርሑ ዝሓዘ ውግእ ናይ ትግራይ፣ ኩነታት ከምዘለዎ ክቅጽል ኣይግባእን፣ ሂወት ሚልዮናት ሰባት ኣብ ሓደጋ ስለዝወደቀ ሰላማዊ ፍታሕ ክርከበሉ ይግባእ ኢሎም ። ነዚ መግለጺ’ዚ ኣመልኪቱ ካብ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተዋሃበ ግብረ መልሲ ዛጊት የለን: ምስ ረኸብና ክነቅርበልኩም ኢና። ቅድሚ ሰሙን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ግና ‘ኣብ ፈላማይ ምዕራፍ ናብ 4 ነጥቢ 5 ሚልዮን ህዝቢ፣ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ምዕራፍ 4 ነጥቢ 3 ሚልዮን ህዝቢ ረድኤት ከምዘበጽሐ ዝሓበረ መግለጺ፣ ብደረጃ ዓለም ‘ጥምየት ከምመሳርሕ ውግእ ኣብ ጥቅሚ ይውዕል ኣሎ ዝብል መግለጺ መሰረት ዘይብሉ እዩ’ ኢሉ ነይሩ። ብዛዕባ ምንቅስቃስ ትካላት ረድኤት ድማ ‘ኩሎም ትካላት ረድኤት ፈቃድ ይረኽቡ ከምዘለው፣ ኣብ ሙሉእ ትግራይ ምብጻሕ ሓገዝ ተማሕይሹ ኣሎ’ ይብል። ፌደራላዊ መንግስቲ ግህሰት መሰላት ንዝፈጸሙ ተሓተቲ ክገብሮም እዩ፣ ንኩሎም ዓይነታት ንሰብኣዊ ክብሪን ህይወትን ኣብ ሓደጋ ዘውደቁ ንኹንን፣ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ከቢድ ግህሰት ዝፈጸሙ ክንሓቶም ኢና ከምዝበለ ዝዝከር እዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-4-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-\/5921256.html"} {"headline":"ጀርመን: ብመንገዲ ፕሮግራም መግቢ 8 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ንኢትዮጵያ ምሃባ ተሓቢሩ","content":"ጀርመን ብፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣቢላ ሸሞንተ ሚልዮን ዮሮ ኣብ ኢትዮጵያ ንሰብኣዊ ሓገዝ ልግሲ ከምዝሃበት ፋና ብሮድካስቲንግ ገሊጹ። ብመሰረት ዜና ፋና \"እቲ ገንዘብ፣ ኣብ ትግራይ ብወፍሪ ምኽባር ሕጊን ብሰንኪ ለውጢ ኣየርን ንዝተጎድኡ 2.1 ሚልዮን ሰባት ንምድጋፍ ዝውዕል እዩ\" ይብል። ብዘይካ'ዚ፣ ኣብ’ታ ሃገር ንዝርከቡ ስደተኛታት’ውን ዝባጻሕ እዩ። ፋና ኣብ ኢትዮጵያ ተወካሊ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ስቴቨን ዌር ኦማሞ \"ነቲ ድጋፍ እዋናዊ እዩ ኢሎም ኣመስጊኖም\" ይብል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%80%E1%88%AD%E1%88%98%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-8-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8B%A9%E1%88%AE-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%95%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%83%E1%89%A3-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5921189.html"} {"headline":"ኣብ ትግራይ ልዕሊ 1,400 ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ብፆታዊ ዓመፅ ምድፋረን ሰበስልጣን እቲ ክልል ኣፍሊጦም","content":"ኣብ ትግራይ ናይ ምድፋር ፆታዊ መጥቓዕቲ ዝተፈፀመን ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ልዕሊ ሓደ ሽሕን ኣርባዕተ ምእትን ምብፅሐን ሰበስልጣን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጦም። ሰበስልጣን ቢሮ ፍትሕን ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን እቲ ክልል ኣብ ትግራይ ‘’ብወታደራት ኤርትራን ወታደራት ኢትዮጵያን ይፍፀም ኣሎ’’ ዝበሉዎ መጥቓዕቲ ብቑፅሪ ይኹን ብበዝሒ ብዝገደደ ከምዝቐፀለ ተዛሪቦም። ካብዝተፈፀመን ናይ ምድፋር መጥቓዕቲ ብተወሳኺ ኣብ ኣካላተን ኣሲድ ምዝዕዛዕ ሓዊሱ ዝለዓለ ጉድኣት ዝወረደን527 ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ምህላወን ካብ ዓይደር ሆስፒታል ዝተረኸበ መረዳእታ ይሕብር። ምስ ፆታዊ ዓመፅ ብዝተኣሳሰረ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ እንተወሓደ ሓሙሽተ ተጠርጠርቲ ምህላዎም ቢሮ ፍትሒ እቲ ክልል ክገልፅ ከሎ ብምድፋር ንዝተጠርጠሩ 25 ወታደራት ክሲ ምምስራቱን ሰለስተ ወታደራት ድማ ከምዝተፈረዶምን ድማ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣፍሊጡ ኣሎ። ሪኢቶ መንግስቲ ኤርትራ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።ኣብ ትግራይ ግጭት ካብ ዝልዓል ጀሚሩ ካብ ዓርባዕተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሒ ህፃን ጀሚሩ ክሳብ 80 ዓመት ዓበይቲ ዝርከብኦም ደቂኣንስትዮን ኣዋልድን ብሰራዊት ኤርትራ፣ወታደራት ኢትዮጵያን ዕጡቓት ኣምሓራን ናይ ኣስገዳድ ፆታዊ መድፈርቲ ከምዝተፈፀመን ሕቡራት መንግስታት፣መንግስቲ ዩናይትድ ስቴትስ፣USAID፣ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት ዓለምለኸ ትካላትን ሚዲያታትን ከምኡ እውን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ማእኸላት ትካላት ጥዕናን ተደፊርና ዝበላ ደቂ ኣንስትዮን ክገልፁ ፀኒሖም እዮም። ብዕስለ ፆታዊ መጥቓዕቲ ዝተፈፀመን ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ንዝተፈላለዩ ስቓያት ከምዝተቓልዓ ትካላት ጥዕና ዝገለፁ ኮይኖም ጉድኣት ወሪዱወን ንሕክምና ናብ ማእኸላት ጥዕና 1,408 ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ምዃነን ብፌደራል መንግስቲ ዝተሸመ ናይቲ ክልል ግዚያዊ ምምሕዳር ቢሮታት ፍትሕን ደቂ ኣንስቲዮን ይገልፁ። ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ወይዘሮ እትየነሽ ንጉሰ ዛጊድ ዝውሰድ ዘሎ ኣሃዝ ካብ ትካላት ጥዕና ዝተረኽበ ጥራሕ እዩ ይብላ። ካብ መቐለ 716፣ካብ ዓዲ ግራት 362፣ካብ ኣክሱም 85፣ካብ ሽረ 48 ፣ካብ ማይጨው 37 ፣ካብ መኾኒ 18 ዝተደፈራ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ይርከብአን ብመሰረት መንግስታዊ ሓበሬታ። ‘’ኣብቶም ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ይፍፀም ዘሎ መጥቓዕቲ መፍትሒ ክረክብ’’ብዝብል ምስ ቪኦኤ ሓዊሱ ምስ ብርክት ዝበሉ መራኽቢ ብዙሃን ቃለ ምልልስ ምሃባ ናይ ዓይደር ሆስፒታል ‘’ዋን ስታፕ ሴንተር’’ ኣተሓባባሪት ሲስተር ሙሉ መስፍን ትዛረብ።ይኹን እምበር እቲ ናይ ምግሳስ ዓመፅ ኣብ ክንዲ ክምሓየሽ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ ትብል። ኣብ ዓይደር ሆስፒታ ዝተሓከማን ኣብ ምሕካም ዝርከባን ግዳያት ክትገልፅ ከላ ዝኾነ ምምሕያሽ ኣይርኣይን ‘’ኣዚዩ እናወሰኸን እናኸፍአን እዩ ዝርከብ’’ ትብል።ብናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ወታደራት ተደፊረን ጥንሲ ንምውራድ ናብ ዓይደር ሆስፒታል ዝመፃ 238 ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ምህላወን ሲስተር ሙሉ ትገልፅ። ጥንሲ ክሰዳ ከለዋ ደምን ካሊእ ፈሳሲን ካብ ነብሰን ምስ ምፍሳስ ዝተሓላለኸ ናይ ጥዕና ፀገም እናጋጠመን ኲሊተን ስራሕ ጠጠው እናበለ ንሕክምና ምፅራይ ደም \\Dialysis\\ ዝኣተዋ ደቂ ኣንስትዮ ከምዘለዋ ሲስተ ሙሉ ትገልፅ።ኣብ ወታደራዊ ካምፕ ስለዝፀንሓ ብHIV ሓዊሱ ብብርክት ዝበሉ ብፆታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት እናተጠቕዓ እቲ ሕማም ይተሓላለኸ ከምዘሎ ሲስተር ሙሉ ሓቢራ። መብዛሕቲአን ተደፊረን ኣብ ውሽጢ ካምፕ ንክልተ ሰለስተ ሰሙናት ስለ ዝፀንሓ HIV ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ግብረ ስጋ ዝመሓላለፉ ኩሉ ዓይነታት ሕማም ሒዘን ናብ ሕክምና ከምመፃን ኣብ ኣካለን ኣሲድ ምፍሳስ ሓዊሱ ከቢድ ኣካላዊ ጉድ’ኣት ወሪዱወን ከምዝመፃ ሲስተር ሙሉ ገሊፃ። ‘’ይጥቅዓ ዘለዋ ዋላ ሓደ ነገር ዘይፈልጣ ህፃውቲ ሓዊሱ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ብሓፈሻ ስቪል ማሕበረሰብ ምዃኖም ኮነ ተባሂሎም ዝፍፀም ግፍዒ እዩ፣መንስግቲ ክፈልጦ እናተገበረ ኣብ ዘለዎ ንሽዱሽተ ሸውዓተ ኣዋርሕ ጌጋ ክፍፀም ኣይኽእልን፤እቶም ፈፀምቲ ድማ ብመንግስቲ ዝምርሑ ኣካላት ምስ ምዃኖም ’ብወገነይ ይተባብዑ’ ከምዘለው እየ ዝርዳእ’’ ትብል። ኣብ ዝሓለፊ ቅኒያት ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ሰኔት ናይ ወፃኢ ርክባት ኮሚቴ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ቅልውላው ኣብ ዝተሰምዐ ቃል ምስክርነት ተረኺበን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ይፍፀም ኣሎ ብዛዕባ ዝበልኦ ግፍዒ ምስክርነተን ዝሃባ ናይ USAID ተወካሊት ሳራ ቻርለስ ሰበይቲ ካህን ክይተረፈ ዘሰንብድ መጥቓዕቲ ተፈፂሙ ኣሎ ኢለን። ብዕጡቓት ተዋሳእቲ ብዛዕባ ዝፍፀሙ በደላት ፀብፃባት በፂሑና ዝበላ ንሰን ‘’እቶም ፀብፅባት ዘርእዩዎ ሰፊሕ ናይ ኣስገዳድ መድፈርቲን ፆታ መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲታት ጥራሕ ከይኮነስ ነቲ ሕብረተሰብ ናይ ምፍራስን ስድራታት ናይ ምጥፋእን ዝፍፀሙ ስልታዊ ፈተናታት እዮም።ነቲ ተግባር ዝፍፅሙ ሓድ ሓደ ተዋሳእቲ ናይ ካህናት ኣንሽቲ ይደፍሩ።ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቅድሚ ስድርአን ዝብድሉ፣ደቂ ኣንስትዮ ብልዕተን ክሳብ ዝጉድኣ ኣዚዩ ጭካነ ዝተመልኦ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊአን ፈፂሞም እዮም።ናይቲ መጥቓዕቲ ክብደት ኣብ ናይ 20 ዓመታት ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ስርሐይ ካብ ዝርኣኹዎ እቲ ኣዚዩ ዝኸፍአ ሓደ እዩ።ንሕና ከም USAID ንዞም በደላት ኣዚዩ ፅኑዕ ብዝኾነ ኩነታት ንኹንኖ’’ኢለን። ኣስገዳድ ምድፋር መጥቓዕቲ ተፈፂሙወን ካም ዝመፃ ተጠቃዕቲ ካብ ወታደራትን ዕጡቓትን ወፃኢ ካልኦት ብኣስገዳድ ዝድፈሩወን እንተሃሊዮም ናብ ዓይደር ሆስፒታል ዝመፃ ተጠቃዕቲ ይዛረባ እንተኾይነን ዝተሓተተት ሲስተር ሙሉ ‘’እወ ኣለዋ።ግን ቴስዓ ቴስዓን ሓሙሽተን ብክልቲኦም ሓይልታት ምክልኻል ከምዝፍፀም እየን ዝገልፃልና’’ትብል። ናይቲ መጥቓዕቲ ቀንዲ ፈፀምቲ ወታደራት ኤርትራ ምዃኖም ናይቲ መጥቓዕቲ ግዳይት ንትካላት ሕክምና ከምዝዛረባ ወይዘሮ እትየነሽ ይገልፃ። ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ኣቶ ኣበራ ንጉሰ ብኣስገዳድ ዝተጠቕዓ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ኣብ ዝርከቡለን ኣብ ኣክሱም፣ዓድዋ፣ሽረ፣ዓዲግራት፣መቐለ ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል፣መቐለ ሆስፒታል ማይጨው ሆስፒታልን ኣብ ዝርከቡ ዋን ስታፕ ሴንተርመርማሪ ፖሊሳትን ዓቃቢያን ሕግን ኣዋፊሮም ንምምርማር ፃዕሪ እናገበሩ ምዃኖም ይገልፁ። ክሳብ ሕዚ ዓዲግራት፣ዓድዋን ኣክሱምን ኣብ ዝርከቡ ‘’ዋን ስቶፕ ሴንተር’’ ንምምርማር ከምዘይክኣሉን ኣብ ኢዶም ዝርከብ መረዳእታ ናይ ሕክምና ሰንድ ጥራሕ ምዃኑን ሓቢሮም።ዝተፃረየን ክሲ ዝተመስረቶምን ኣዚዮም ውሑዳት እዮም ይብሉ ኣቶ ኣበራ። ‘’መን ተደፊረን ኢልና ናይ ፀጥታ ሓይሊ ምስ ሕብረተሰብ ብምዃን ገዛ ንገዛ ዳህሳስ ብምክያድ ዘምፃእናዮ ሪፓርት ኣይኮነን’’ ዝበሉ ኣቶ ኣበራ ክሳብ ሕዚ ካብ ሆስፒታላትን ክሊንካትን ግዳያት መጥቓዕቲ ናብ ማእኸላት ሕክምና መፂኦም ዘመልከቱ እዮም’’ ይብሉ። ብዛዕባ ፈፀምቲ ናይቲ መጥቓዕቲ ክገልፁ ከለው ‘’80 ምእታዊ ዝተደፈራ ብሻዕብን ብናይ ኢትዮጵያ ሓይልታት ምክልኻልን እዩ።ዝበዝሕ ቁፅሪ መን እዩ ፈፃሚኡ እንተይልካ ግን ሻዕቢያ እዩ’’ኢሎም። ወታደራት ምክልኻል ኢትዮጵያ ‘’ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ፈፂሞምዎ’’ብዛዕባ ዝብሃል ናይ ምድፋር መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ኣካላት ደቂ ኣንስትዮ ኣሲድ ምፍሳስን ምቅፃልን ጥርዓናት ከምኡ እውን ተሓታትነት ብዝምልከት ምላሽ ንምርካብ ንናይ ኢትዮጵያ ሓይልታት ምክልኻል ኤታ ማዦር ሹም ጀነራል ብርሃኑ ጁላን ናይ ምክልኻል ኢንዶክትሪነሽን ዋና ዳይረክተር ሜጀረ ጀነራል መሓመድ ተሰማን ንምዝርራብ ናብ ኢድ ስልኮም ደዊልና ኣየልዐሉን። ኣብዚ ፀብፃብ ዝቐረቡ ዝርዝር ክስታትን ‘’ናይ ምድፋር ፆታዊ መጥቓዕቲ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ’’ዝብል ዝበሉዎ እንተዘይሃለወ እውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ምንስቴር ኣብ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለፂ ተረኺቦም ዝተናገሩ ናይ ፌደራል ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ዶክተር ጌዲዮን ጢሞትዮስ ኣብ ግጭት ትግራት ‘’ተፈፂሞም’’ብዛዕባ ዝተብሃሉ ፆታዊ መጥቓዕትታትን ናይ ስቪላት መቕተልትን ብወታደራዊ ቤት ፍርዲ ብናይቲ ክልል ፖሊስን ዓቃቢ ሕግን፣ብመርመርቲ ፌደራል ፖሊስን ብናይ ሕቡራት መንግስታት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ምርመራታት እናተኻየደ ምዃኑ ገሊፆም።ብፍላይ ብወታደራዊ ቤት ፍርዲ ዝተውሃበ ውሳነ ብዝምልከት ‘’ወታደራዊ መርመርቲ ፆታዊ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ዝፈፀሙን ብምድፋር ገበን ዝተጠርጠሩን 25 ወታደራት ክሲ መስሪቶም ኣለው፤ናይቲ ክሲ መስርሕ እውን ቀፂሉ ኣሎ።ኣብ ቀረባ ውሳነ ክህሊ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።ይካየዱ ካብ ዘለው መስርሓት ብተወሳኺ ሰለስተ ወታደራት ብኣስገዳድ መድፈርቲ ጥፍኣተኛ ተባሂሎም ተፈሪዱዎም ኣሎ።ሓደ ወታደር ድማ ንስቪል ብምቕታል ጥፍኣተኛ ተባሂሉ ተፈሪዱዎ ኣሎ’’ኢሎም። ዶክተር ጌዲዮን ብዛዕባ ዓይነትን መጠን ቅፅዓትን ዝተወሃበ ፍርዲ ኣይተዛረቡን።ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተፈፀመ ፆታዊ መጥቓዕቲታትን ካልኦት ገበናትን ‘’ዝጥርጠር ኣካል ኣሎ’’ክብሉ እቶም ዓቃቢ ሕጊ ወሲኾም ገሊፆም። እቲ ሚዲያን ካልኦት ኣካላትን ከስተውዕሉዎ ጠቓሚ ዝመስለኒ ነጥቢ ህወሓት ንመቐለ ቅድሚ ምግዳፉ ኣስታት ዓሰርተ ሽሕ ንዝኾኑ ልማደኛታትን ዝተፈረዶምን ገበነኛትት ፈቲሑ እዩ።ስለዚ ኣብ ኩሎም ዓይነት ገበናት ክዋፈሩ ዝኽእሉ ዝተፈረዶምን ዘይተትሓዙን ብርክት ዝበሉ ገበነኛታት ኣለው’’ኢሎም። ሪኢቶ መንግስቲ ኤርትራ ንምርካብ ኒው ዮርክ ናብ ዝርከብ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ቤት ጥሕፈት ቀዋሚ ልኡኽ ኤርትራ ሪኢቶ ንምርካብ ብተደጋጋሚ ስልኪ ደዊልና ኣይተዓወተን። ኣብ ትግራይ ብወታደራት ኤርትራ ይፍፀሙ ኣለው ብዛዕባ ዝብሃሉ መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዕታትን መንግስቲ ኤርትራ ቅድሚ ሎሚ ኣሉ ክብል ምፅንሑ ይዝከር። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/rape-and-sexual-violence-in-tigray-is-worsening-according-tigray-regional-oofcials\/5921151.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: መርመራ DNA ኣብ መርመራ ገበን ከምትጅምር ኣፍሊጣ","content":"ኢትዮጵያ ንመጀመርያ ግዜ መርመራ DNA ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ መርመራ ገበን ክትጅምር ምዃና ተፈሊጡ። ቤት ጽሕፈት መርመራ ገበናት ፈደራል ፖሊስ፥ ካብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኣትሒዙ ኣብ ኣተሓሕዛ ተጠርጠርቲ ጥሕሰት ንኸይፍጸም ዝተፈላለዩ ምምሕያሻት ክግበር ከምዝጸንሐ ዝገለጸ ፈደራል ፖሊስ፥ ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ እሱራት ዓለምለኸ ደረጃ ዝሓለወ ንክኸውን ይስራሕ ከምዘሎ ኮሚሽነር ፈደራል ፖሊስ ደምመላሽ ብገብረሚካኤል ኣፍሊጡ። ፈደራል ፖሊስ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ መርመራታት የካይድ ምህላዉ'ውን ጠቒሱ'ሎ። ኣተሓሒዙ መርመራታት ፖሊስ ብሳይንሳዊ ኣሰራርሓ እናሓየለ መታን ክኸይድ ኣብ ፎረንሲክ መርመራ ፍሉይ ትኹረት ክገብር'ዩ ኢሉ። ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ፈደራል ፖሊስ ሙሊሳ ኣብዲሳ ብወገኑ፥ ኣብዚ እዋን'ዚ ብኸቢድ ገበን ዝጥርጠሩ ውልቀሰባት እንተበዝሐ ን ኣርባዕተ ኣዋርሕ ናይ መርመራ ግዜ ጥራሕ'ዮም ኣብ ማእከል መርመራ ፈደራል ፖሊስ ዝጸንሑ ምባሉ ተገሊጹ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%88%98%E1%88%AB-dna-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8C%85%E1%88%9D%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A3-\/5919766.html"} {"headline":"'ሰብኣዊ ኩነታት ክልል ትግራይ ካብ ናይ ዳርፉር ክገድድ ይኽእል'ዩ' ኣመሪካዊ ሰነተር","content":"ብሰንኪ ጌጋ ሰበ-ስልጣን ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ኣብ ትግራይ ጥምየት: ገበናት ጸረሰብኣውነትን ምጥፋእ ዓሌትን ይፍጸም ኣሎ ዝበለ ደሞክራት ሰነተር ፓትሪክ ለሂ፥ ግፍዕታትን ምኽልካል ረድኤትን ከብቅዕ ከምኡ ድማ ግጭታት ብሰላም ክፍትሑ እጽውዕ ኢሉ። ሎሚ ህዝቢ ትግራይ ብዘሕዝን ደረጃ ንግፍዕታት ተቓሊዑ'ሎ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ድማ ብሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ ድማ ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት መንገድታት ይዕጸዎ'ሎ ኢሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ብገበን ዝሕተቱ ናብ ፍትሒ ከቕርብ ዝኣተዎ ቃል ከኽብር መንግስትና ጸዊዑ'ዩ ዝበለ ሰነተር ለሂ፥ መንግስቲ ኤርትራ'ውን ንዝኣተዎ ቃል ብምኽባር ቀልጢፉ ሰራዊቱ ናብ ግዝኣቱ ክመልስ ኣለዎ ኢሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምሉእ ዓቕሙ ኣብ ክልል ትግራይ ንሚልዮናት ሰባት ህጹጽ ረድኤት ኣብ ምብጻሕ ከምዝርከብን፡ ንተሓተቲ ገበናት ድማ ናብ ፍትሒ የቕርብ ከምዘሎን ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ'ሎ።ምውጻእ ወተሃደራት ኤርትራ'ውን ኣብ መስርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ'ዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%B3%E1%88%AD%E1%8D%89%E1%88%AD-%E1%8A%AD%E1%8C%88%E1%8B%B5%E1%8B%B5-%E1%8B%AD%E1%8A%BD%E1%8A%A5%E1%88%8D-%E1%8B%A9-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%88%B0%E1%8A%90%E1%89%B0%E1%88%AD\/5919731.html"} {"headline":"ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ምምርሒታት ኮቪድ 19 ብጥብቅን ምሉእነትን ክትግበሩ ዝጽውዕ መምርሒ ኣውጺኡ","content":"ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ብመንግስቲ ዝተወስዱ ናይ ምፍዃስ ስጉምትታት ስዒቡ ኣብ ማህበራዊ ኣጋጣሚታት ዝረኣዩ ዝበሎም ጻዕቂ ምትእኽኻብ ሰባት ቁጽሪ ለበዳ ኮቪድ 19 ንኽውስኽ ቀንዲ ጠንቂ ኮይኑ ከምዘሎ ብምምልካት ዝወጽኡ ቅጥዕታትን መምርሒታትን ብጥብቅን ብምልኣትን ክትግበሩ ዝጽውዕ ሓዲሽ መምርሒ ብ6 ሰነ ዘርጊሑ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%92%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AE%E1%89%AA%E1%8B%B5-19-%E1%89%A5%E1%8C%A5%E1%89%A5%E1%89%85%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%89%E1%8A%A5%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%89%A0%E1%88%A9-%E1%8B%9D%E1%8C%BD%E1%8B%8D%E1%8B%95-%E1%88%98%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%92-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%8C%BA%E1%8A%A1\/5919723.html"} {"headline":"ጋዜጠኛ ቪኦኤ ሄዘር ሙርዶክ ኣብ ከተማታት ሓውዜን፣ዕዳጋ ሓሙስን ዓዲግራትን","content":"ኣብ ትግራይ እትርከብ ናይ ቪኦኤ ጋዜጠኛ ሄዘር ሙርዶክ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ናብ ከተማታት ዕዳጋ ሓሙስ፣ ዓዲግራትን ሓውዘንን ተጓዒዛ ዝርኣየቶም ዝተዓዘቦትን። ፖርት ቪኦኤ ሄዘር መጀርሚያ ዝርኣየታ ኣብ መንጎ ክልተ ዓብየቲ ከተማታት መቐለን ዓዲግራትን እትርከብ ንእሽተይ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ በቲ ኵናት ዝወረዳ ዕንወት ከቢድ ምዃኑ ትዛረብ። ኣብ ወሰን መንገዲ እታ ከተማ ዝተቓፀለት ታንኪ ኣብ ፊት ንፊት ድማ ናይ መስቲያት ማዕፅኡ ዝተሰባበረን ምልክቱ ድማ ብጠያይቲ ዝተወቕዐን ክልኒክ ከምዝርኣየት ትገልፅ።ሓላፊት ናይቲ ክልኒክ ዝኾነት ነርስ ኩሉ መድሓኒ ተዘሪፉን ተሰሪቑን ኢላትኒ ትብል።ሄዘር ኣብ ከተማ ዓዲግራት ዝወረደ ዕንወት ዝነኣሰ እንተኾነ እውን ኩነታት እቲ ከተማ ግን ኣዚዩ ውጥረት ዝተመልኦ እዩ ትብል።ኣብቲ ንሳ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ዝኣተወትሉ ዕለት ብዛዕባ ዘጋጠመ ከምዚ ትብል። ናብታ ከተማ ኣብ ዝኣተወትሉ ዕለት ሓደ ናይ ኤርትራ ወታደር ብናይቲ ከባቢ ስቪላት መጥቓዕቲ ተፈፂሙዎ ምስ ሞተ ካልኦት ወታደራት ሬሳ ንምውሳድ ካብቲ ካብ ከተማ ወፃኢ ኖቂጦምሉ ዝርከቡ ካምፕ ናብታ ከተማ ምስኣተው ኣብ መንጎ እቶም ወታደራትን ቀቲሎም ዝተብሃሉ ስቪላትን ግጭት ነይሩ’’ ትብል። እቲ ወታደር ብእምኒ ተወቒዑ ከምዝሞተ እውን ካብ ሰባት ከምዝሰምዕት ትገልፅ።ኣብዚ ግጭት ዘጋጠመ ካሊእ ሞት እንተሃሊዩ ተሓቲታ ኣብዚ ዕለት እዚ ምፍርራሕን ውጥጥን ከምዝነበረ ብምግላፅ ከምዚ ትብል። ‘’ሰባት ኣብ ዓዲግራት ወታደራት ኤርትራ ኣብታ ከተማ ምህላዎም ኣዚዮም እዮም ዝጉህዩ ዘለው’’ ዝበለት ንሳ ‘’ከምቲ ዝፍለጥ ብዙሕ ግፍዒታት ምፍፃሞም ፀብፃባት ቀሪቦም እዮም።ኣብ ዓዲ ግራት ኣብ ዝርከብ ተመዛበልቲ ኣብ ዘዕቖብሉ ካምፕ ንዝርከቡ ሰባት ከዘራርቦም ከለኹ፣ኣብ ውሽጢ እቲ ካምፕ ናይ ዝርከብ ሆስፒታል ሓላፊ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ክዛረብ ከሎ ኣዚዩ ዝጎሃየ ምዃኑ ይርኣይ።ኣብታ ከተማ ከምዚ ምርኣይ ልሙድ እዩ’’ ክትብል ተግልፆ። ሰባት ብፍርሒ ካብ ገዛውቶም ስለዘይወፁ ከተማ ዓዲ ግራት ኣዚያ ፀጥ ዝበለት ምዃና ዝገለፀት ሄዘር ኣብቲ ንሳ ዝኣተወተትሉ ዕለት ብዘጋጠመ ዕግርግር መደብራት ዕዳጋን ናይ ንግዲ ትካላትን ተዓፂዮም ከምዝነበሩን ስዓት እቶ እቶ ብምህላው ዋላ ሓደ ዝንቀሳቐስ ከምዘየለን ኣብ ለይቲ እንታይ ከምዝፍጠር ስለዘይፍለጥ ስግኣት ከምዘሎ ግን ትዛረብ። ሄዘር ወታደራት ኤርትራ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ብናይ ፅዕነት መካይን ከምዝዘሩ፣ወታደራት ኣብ ውሽጢ ከተማ ብእግሮም ከምዝንቀሳቐሱን ኣብ ጥቓ ዓዲግራት ወታደራዊ መደብር ከምዘለዎምን ገሊፃ ኣላ።ነበርቲ ዓዲግራት ብሃለዋት ወታደራት ኤርትራን ንሃለዋቶም ኣብ ልዕሊ ዝፈቐደ ፌደራል መንግስትን ዘለዎም ጓሂ ዝለዓለ ምዃኑ ካብቶም ነበርቲ ከምዝተረድአት ትዛረብ። ‘’ኣብ ዓዲ ግራት ኩሎም ዘዘራርብኩዎም ሰባት ብሃለዋት ወታደራት ኤርትራ ኣዚዮም ዝተቖጥዑ እዮም።ፌደራል መንግስቲ ወታደራት ኤርትራ ኣብኡ ክህልው ስለ ዝፈቐዱሎም ውእን ኣዚዮም ጉህዮም እዮም። መንግስቲ ክወፁ እዮም ምባሉ ብዓይኒ ነበርቲ ዓዲ ግራት ዓወት እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።...ካብ ዘዘራርበኩዎም ድሕነት ዝስምዖ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይረኽብኩን። ብወታደራት ኤርትራ ሓደጋ እዩ ዝስምዖም’’ ኢላ። ኣብ መላእት ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ኣዚዩ ዝኸፍአ ምዃኑ ዝገለፀት ሄዘር መርዶክ ሕቡራት መንግስታትን ካልኦት ዓለምለኸ ትካላትን ዝገለፁዎ ኩነታት ከምዘሎ ኮይኑ ንሳ ብዓይና ዝርኣየቶም ከባቢታት ፀገም ውሕስነት ምግቢ ሰፊሕ እዩ ትብል።ለበዳ ኮሮናቫይረስ ቀፂሉ ድማ ኵናት ንብዙሓት ንክግድታት ከምዘዕነዎን ሰባት ሰሪሖም ክነብሩ ከምዘይክኣሉ ረድኤት ምግቢ እውን እኹል ከምዘይኮነን ትዛረብ። ካብ ከተማታት ወፃኢ ኣብ ብዙሓት ቦታታት ክልኒካት ስለዝዓነውን ስለዝተሰርቁን መድሓኒን ፈፂሙ ከምዘይርከብን ከተማ መቐለ ሓዊሱ ኣብ ከተማታት እውን እኹል ቀረብ መድሓኒትን ናይ ሕክምና ናውትን ሕፅረት ስለዘሎን ኩነታት ስርዓት ጥዕና ናይቲ ክልል ሓደገኛ እዩ ኢላቶ ኣላ። በዙሕ ከባቢ ናይቲ ክልል ካብ ኩሉ ኮሚኒኬሽን ስለዘተቖራረፀ ካብ ጋዜጠኛታትን ሰብኣዊ ትካላትን ስለዝተበተኸ መትሕዝን መጨበጥን ዘይብሉ ወይ ካዮቲክ እዩ ኢላቶ ኣላ።ኢንተርኔትን እውን ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተወሰነ ቦታ ከምዝርከብ ትገ ልፅ። ሄዘር ቀፂላ ዝርኣየታ ከተማ ሓውዘን ኣብዚ ሕዚ ስዓት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓይልታት ፌደራል ኢትዮጵያ ከምዝኾነትን ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ከምዝነበረትን ሕዚ ንፁር ናይ ኵናት ከባቢ ከምዝኾነን ት ዛረብ። ‘’ዛጊድ ብንፁር ናይ ውግእ ቀጠና ወይ ዞባ እዩ’’ ዝበለት ንሳ ኣብ ሓውዜን ዝወረደ መጠን ዕንወት ኣብ ዒራቕ ወይ ሶሪያ ዝተርኣየ እዩ ዝመስል።ሰባት ኣብ ስግኣት እዮም ዝርከቡ።ኣብዛ ከተማ እቲ ኵናት ካብ ዝጅመር ሕዳር ኣርባዕተ ሓሙሽተ ግዜ ዘሳህክሕ ኵናት ተኻይዱዋ እዩ’’ በለት። ኣብ ወሰንከተማ ሓውዜን ናይ ጅምላ መቓበር ከምዝርኣየት እውን ትገልፅ ሄዘር። ‘'ልዕሊ 20 ሰባት ዝተቐበርሉ ገለ ክልተ ሰለስተ ናይ ጅምላ መቓበር እውን ኣሎ።ኣብታ ከተማ ዝነበሩ ሰባት መብዛሕቲኦም ዝተቐትሉ ብደብዳብ ከቢድ ብረት ምዃኑ እዮም ዝኣምኑ።ግዳያት ብቕልጡፍ ካብቲ ጃምላዊ መቓበር ወፂኦም ብመሰረት እምነቶም ኣውፂኦም ክቐብሩዎ እዮም ዝደልዩ እቶም ዘዘራርብኩም’’ ትብል። ካብ ከተማ ሓውዜን ዝተምዛበሉ ብዙሓት ሰባት ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ማእኸል መዕቖቢ ተመዛበልቲ ምርካባ ትገልፅ ሄዘር።ሕዚ እውን ኣብ ከተማ ሓውዜን ብዙሓት ሰባት ከምዘለውን ናብ ዝኸዱዎ ከምዘይብሎም ወይ መሳፈሪ ስኢኖም ኣብኡ ዝተረፉ ምዃኖምን ከምዝተዛረቡዋ ወሲኻ ትገልፅ። ብብርክት ዝበሉ ትካላት ረድኤት ሓገዝ ናይ ምቕራብ ፃዕርታት እንተተገብሩ ብሰንኪ እቲ ኵናት ይሳቐዩ ንዘለው ሰባት እኹል ሓገዝ ይቐርብ ከምዘየለ ትገልፅ ኣብቲ ከባቢ ትርከብ ሪፖርተር ቪኦኤ ሄዘር ሙርዶክ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/voa-heather-murdock-debriefing-on-tigray-crisis\/5919684.html"} {"headline":"ዝተፈላለያ ማሕበራት ክልል ኣምሓራ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘንበረቶ ናይ ቪዛ እገዳ ክትግምግሞ ሓቲቶም","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ማሕበራት፣ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘንበረቶ እገዳ ቪዛን ካልኦትን ደጊማ ንክትግምግሞ ሓቲቶም። እዚ ሕቶ ዝቐረበ ማሕበራት ኣረጋዊያን፣ ሽምግልና፣ ሓርበኛታት ጥንታዊት ኢትዮጵያን ጨንፈር ክልል ኣምሓራ ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ እዩ። እቶም ማሕበራት ኣብ መግለጺኦም መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል’ታ ሃገር ንዘካየዶ ምኽባር ሕጊ ጌጋ ትርጉም ስለዝተዋሃቦ፣ ኣሜሪካ ግጉይ መርገጺ ንክትሕዝ ገይሩ እዩ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ ንዘበናት ጥሕሰት መሰል ክፍጸም ከሎ ኣሜሪካ ጣልቃ ከይኣተወት ከምዝጸንሐት ብምጥቃስ ከምዘጉሀዮም ሓቢሮም። ኣሜሪካ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብዝሓዘቶ ግጉይ ግንዛበ፣ እገዳ ንክተንብር ኣገዲድዋ ኣሎ፣ ስለዚ ተመሊሳ ንክትግምግሞ ሓቲቶም ኣለው። ኣሜሪካ፣ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ኣሎ ብመሰረት ትብሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ እገዳ ቪዛን ካልኦትን ከምዘንበረት ዝዝከር እዩ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%AB-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%98%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%89%B6-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%AA%E1%8B%9B-%E1%8A%A5%E1%8C%88%E1%8B%B3-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%88%9E-%E1%88%93%E1%89%B2%E1%89%B6%E1%88%9D\/5916998.html"} {"headline":"ማሕበረሰብ ዓለም ንኩነታት ትግራይ ግልፂ ዝኾኑ ሓቅታት ምርኣይ ኣይክኣለን ኢሉ ቤት ፅሕፈት ቀ\/ም ኢትዮጵያ","content":"ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ንኩነታት ክልል ትግራይ ብዙሓት ግልፂ ዝኾኑ ሓቅታት ምርኣይ ተሳኢኑዎ ክብል ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ገሊፁ።ብገለ ወገናት ይስትውዓሉ ዘለው ምዝላል ሓቅታት ጠቓሚ ውፅኢት ኣይህልዎን ኢለን ሓላፊት ክፍሊ ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ምንስቴር ቢል ለኔ ስዩም። ምውፃእ ወታደራት ኤርትራ ብዝተበፅሐ ስምምዕ መሰረት ይፍፀም ኣሎ ኢለን።ምውፃእ ወታደራት ኤርትራ ግን ብሳልሳይ ወገን ኣይተረጋገፀን። ትማሊ ሓሙስ መግለፂ ዝሃባ ሓላፊት ክፍሊ ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ምንስቴር ቢል ለኔ ስዩም ማሕበረሰብ ዓለምለ ዝረስዖም ዝበልኦም ነጥብታት ጠቒሰን።እቶም ሓቅታት ኮነ ተባሂሎም ዝዝለሉ ካሊእ ኣጀንዳ ብዘለዎም ወገናት እዩ ኢለን።ኢትዮጵያ ኣዕናዊ ውፅኢት ዝህልዎ ዝተዋደደ ወፍሪ ኣብ ልዕሊኣ ይካየዳ ኣሎ ኢለን።ከምዚ ዝበለ ኣካይዳ ኣወንታዊ ውፅኢት ኣይህልዎን ኢለን። ‘’ንመንግስቲ ናይ ምፍራስ ተግባር ንዝቐልበሰ መንግስቲ ተወሳኺ ሓገዝ ኣብ ክንዲ ምሃብ ኣብ ስልጣን ዘሎ ቀዳማይ ምንስቴር ከም ጥፍኣተኛ ምቑፃርን ኣብ ልዕሊ መንግስቱ መቕጻዕቲ ምንባርን ወፅኢታዊን ሃናፂን ኣይኮነን’’ ኢለን ብምውሳኽ።ብቀዳማይ ምንስቴር ኣብይኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መላእ እታ ሃገር ናይ ዝርከቡ ልዕሊ 100 ሚሊዮን ሰባት ድልየት ንምምላእ ስጉምቲ ምውሳዱ ክቕፅል እዩ እየን ኢለን። እተን ሓላፊት ፕረስ ኣብ ትግራይ ክልል ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ፀጥታ ተበፃሕነት ሰብኣዊ ረድኤትን ካልኦትን መብርሂ ሂበን አለዋ።ኣብ መንጎ ዓለምለኸ መሻርኽትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣፈላላይ ካብ መንጎ ዝፈጠሩ ሓደ ወታደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ምርካቦም እዩ። ዝተፈላለዩ መንግስታትን ዓለምለኸ ትካላትን ብተደጋጋሚ ኣብ ዘውፅእዎም መግለፅታት እቶም ወታደራት ካብ ኢትዮጵያ ክወፁ ክፅውዑ ፀኒሖም እዮም።ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ጆ ባይደን ኣብ ቀረባ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ወታደራት ኤርትራ ክወፁ ፀዊዖም እዮም።ብዛዕባ ምውፃእ ሰራዊት ዝተሓተታ ብል ለኔ ስዩም ‘’ናይ ምውፃእ ሕቶ ነቲ ጉዳይ ብዝምልከቶ ብዓል ስልጣን ተቐሚጡ ኣሎ።ብመሰረት ፀብፃባት ምንስቴር ምክልኻል ምውፃእ ናይቶም ወታደራ ተጀሚሩ ኣሎ።ዝምልከቶም ኣካላት ብዝተሰማምዕሉ መሰረት እቲ መስርሕ ክካየድ እዩ’’ ኢለን።ወታደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ምውፃእ ምጅማሮም ግን ብሳልሳይ ኣካል ኣይተረጋገፀን። ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለፂ ተረኺቦም መግለፂ ዝሃቡ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ዶክተር ጌዶን ጢሞጥዮስ ብወገኖም ኣብ ናይ ትግራይ ግጭት እዋን ዝተፈፀሙ መግሃስታት ብዝምልከት ይፍፀሙ ኣለው ዝበልኦም ተግባራት ኣብሪሆም።ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ህወሓት ይካየድ ኣሎ ዝበሉዎ ምርመራን ኣብቲ ክልል ተፈፂሞም ዝተብሃሉ ፆታዊ መጥቓዕታት ከምኡ እውን መቕተልታት።ፆታዊ መጥቓዕታት ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ስቪላት ዝተፈፀሙ መቕተልትን ምርመራ ብኣርባዕተ ኣካላት እናተኻየደ ምዃኑ ኣረዲኦም።ብወታደራዊ ቤት ፍርዲ ,ብናይቲ ክልል ፖሊስን ዓቃቢ ሕግን, ብመርመርቲ ፈደራል ፖሊን ከምኡ እውን ብናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽንን ብናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን ይካየድ ኣሎ ኢሎም።ወታደራዊ ቤት ፍርዲ ብዝምልከት ከምዚ ኢሎም። ‘’ስጉምቲ ንምውሳድ ኣድላይ ኣብዘይነበረሉ እዋን ንስቪላት ብምቕታልኣብ ልዕሊ ዝተጠርጠሩ 27 ወታደራት ክሲ መስሪቶም ኣለው’’ ዝበሉ ንሶም ‘’እቶም ወታደራዊ መርመርቲ ፆታዊ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ዝፈፀሙን ብኣስገዳድ ደፊሮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩን 25 ወታደራት እውን ክስ መስሪቶም እቲ መስርሕ ቀፂሉ ኣሎ።ኣብ ቀረባ ውሳነ ክህሊ ትፅቢት ይግበር።ይካየዱ ካብ ዘለው ናይ ፍርዲ መስርሓት ብተወሳኺ ሰለስተ ወታደራት ኣገዲዶም ብምድፋር ጥፍኣተኛ ተባሂሎም ተፈሪዱዎም ኣሎ።ሓደ ወታደር ድማ ንስቪል ብምቕታል ጥፍኣተኛ ተባሂሉ ተፈሪዱዎ ኣሎ’’ ኢሎም። ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተፈፀሙ ፆታዊ መጥቓዕታትን ካልኦት ገበናትን ዝጥርጠር ኣካል ኣሎ ክብሉ እቶም ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣረዲኦም። ‘’ሚዲያን ካልኦት ኣካልትን ክዝክሩዎ ዝግባእ ነጥቢ ህወሓት ንመቐለ ቅድሚ ምግዳፉ ኣስታት ዓሰርተ ሽሕ ልማደኛን ዝተፈረዶም ገበነኛታት ፈቲሑ እዩ።ስለዚህ ኣብ ኩሉ ዓይነት ገበናት ክዋፈሩ ዝኽእሉ ብርክት ዝበሉ ዝተፈረዶምን ዘይተትሓዙን ገበነኛታት ኣለው’’ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/the-ethiopian-government-claims-that-it-charged-its-soldiers-alleged-of-committing-crimes\/5916984.html"} {"headline":"ሕብረት ኣፍሪቃ ጉጅለ ተዓዘብቲ ምርጫ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝልእኽ ኣፍሊጡ","content":"ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ናይ ሓጺርን ነዊሕን ጉጅለ ተዓዛቢ ኣብ ምርጫ ኢትዮጵያ ከምዘዋፍር ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሓመት ኣፍሊጦም። ካብ ኣባል ሃገራት ዝተዋጽኡ ሸሞንተ ተዓዘብቲ ኣብ አዲስ አበባ ከምዝኣተውን ንኩነተ ፖለቲካዊ ሃዋሁ፣ ሕጋዊ ቅርጺ ምርጫ ፣ ምቅርራብ ውጽኢታዊን ግልጺን ምርጫ ፣ ምሕደራን ሃዋሁ ወፍሪ ምርጫ ፣ ነጻነት ሚድያ፣ ኣብ ሙሉእ መስርሕ ዝህሉ መሰል ተሳትፎን ከምዝግምግም እቲ ዜና ይሕብር። እቲ ጉጅለ ተዓዘብቲ ንዝተፈላለዩ ከባቢታት ከምዝሽፍን፣ ድሒሮም ካልኦት ኣባላት ተዓዘብቲ ከምዝሕወስዎም ሕብረት ኣፍሪቃ ገሊጹ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%98%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%8D%E1%8A%A5%E1%8A%BD-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5916988.html"} {"headline":"ኩነታት ተፈናቀልቲ ኣብ መቀለ 'ኣሰቃቂ እዩ' ኢላቶ ሪፖርተር ቪኦኤ","content":"ናብ መቀለ ትማሊ ዝኣተወት ሪፖርተርና ሂዘር ሙርዶክ ‘ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ኢንተርነት የለን። ሓቂ እዩ ዝተወሰኑ ሆቴላትን ትካላትን ኣገልግሎት ኢንተርኔት ይረኽቡ እዮም ከምኡ ኮይኑ’ውን ኤለክትሪክ ክጠፍእ ከሎ ኢንተርኔት ኣይህሉን’ ትብል። ንዝተዓዘበቶም ተፈናቀልቲ ዘጽለልሉ ካምፕታት አመልኪታ ሂዘር ክትዛረብ ከላ ‘ተፈናቀልቲ ዝርከብሉ ኩነታት ‘ኣሰቃቂ’ ክትብል ትገልጾ’። ምስ ዝምልከቶም ሰበ ስልጣን ብዛዕባ ረድኤትን እቲ ኩነታትን ምዝርራብ ኣይካኣልናን። እንተኾነ 18 ኣባላት ምስ ዝሓቆፈት ኮሚቴ ተፈናቀልቲ ተዘራሪብና ኣለና። ሓቂ እዩ ሕጽረት መግቢ፣ ጸገም መጽለሊ፣ ኣልባሳት ኣሎ፣ ንስድራቤታትና ንእብድ ነይርና፣ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ጊዜ ንደቅና ንምግቦም ነይርና። ሎሚ ግና ትፈልጢ ዲኺ ‘ሓደ ጊዜ እንተበሊዕና ዕድለኛታት ኢና ማለት’ዩ’ ከምዝበሉዋ’ውን ጠቂሳ ኣላ ሪፖርተርና ሂዘር ሙርዶክ ካብ መቀለ። ብርክት ዝበሉ ካብ ከባቢኦም ከመይን ስለምንታይን ከምዝተፈናቀሉ ክጠቅሱ ከለው ትብል ሂዘር ሙርዶክ ‘ካብ ወትሃደራት ኤርትራ ወይካኣ ወትሃደራት ኤርትራ ምስ ሰራዊት ህወሓት ካብ ዝገብርዎ ውግእ ከምዝሃደሙ ዝገለጹለይ’ውን ኣለው’ ትብል ንሳ። ብመሰረት ሪፖርት ሕቡራት ሃገራት፣ ብውሑድ 2 ሚልዮን ካብ 6 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ተፈናቂሎም ኣለው፣ ኣብ’ቲ ውግእ ዝሳተፉ ኩሎም ሓይልታት መግሃስቲ መሰላት ፈጺሞም’ዮም ይባሃሉ። ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ አንተንይ ብልንክን ‘እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ‘ምጽራይ ዘርኢ’ ክሳብ ምባል ከምዝኸዱ ዝዝከር’ዩ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/tigray-humanitarian-situation-dire-heather-murdok-in-mekelle\/5915608.html"} {"headline":"መግለጺ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ","content":"ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያዓለም-ለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ትግራይ ዘሎ ግልጺ ሓቅታት ምርኣይ ተሳኢንዎ ኢሉ ። ሓላፊት'ቲ ቤት ጽሕፈት ቢልለኔ ስዩም ኣብ መግለጺኣ ሓደ ሓደ ወገናት ነቲ ዝርኣይ ሓቅታት ናይ ምዝላል ኣካይዳ ጠቓሚ ውጽኢት ኣይህልዎን'ዩ ኢላ። ብዛዕባ ምውጻእ ወተሃደራት ኤርትራ ዝተሓተተት ቢል ለኔ፡ ብመሰረት ዝተበጽሐ ስምምዕ ይፍጸም ኣሎ ኢላ። ብዛዕባ'ዚ ካብ ሳልሳይ ወገን ሓበሬታ ኣይተረኽበን:: ምሉእ ትሕዝቶ ዚ ዜና ኣብ ናይ ጽባሕ ፈነወ ተኸታተሉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8C%BD%E1%88%95%E1%8D%88%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/5915546.html"} {"headline":"ድምጺ ኣሜሪካ ተጋሩ ንዘቅረብዎም ሕቶታትን ጠለባትን ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ","content":"\"ድምጺ ኣሜሪካ(VOA) ነቲ ኣብ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዘሎ ዅነታት ብርትዓዊን ብልክዕን ንምሽፋን ዚከኣሎ ኩሉ እዩ ዚገብር። እቲ ውግእ ኣብ’ቲ ዞባ ሓያል ስምዒት ፈጢሩ ከምዘሎ ንፈልጥ፣ ካብ ኵሎም ወገናት’ውን ንሰምዕ ኢና። ሸቶና ጭቡጥ ጋዜጠኛነት እዩ። ጥርዓን ክንቅበል ከለና መርሚርና ስጉምቲ ንወስድ፣ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ኣብ ልዕሊ እቶም ቅኑዕ፣ ሚዛናውን ዝተማለአን ጸብጻብ ናይ ምፍናው መትከላትና ዝጥሕሱ ጋዜጠኛታት፣ ብዛዕባ እቲ ዝተጠቅሰ ይኹን ካልኦት ጸብጻባት ማለት እዩ፣ ስጕምቲ ንወስድ ኢና። ኮይኑ ግና፣ ብዛዕባ ገለ ሰራሕተኛታትና ርእይቶ ካብ ምሃብ ንቁጠብ። ሓበሬታ ብናጻ ወገን ከነረጋግጽ ኢና ንፍትን። ድምጺ ኣሜሪካ ብቋንቋታት ኣምሓርኛ፣ ኣፋን ኦሮሞን ትግርኛን አቢሉ ናብ ኣስታት 12 ሚልዮን ሰባት ሰሙናዊ ኣገልግሎት ፈነወ ንልግስ። እዚ፣ ሰማዕቲና እቶም ንፍንዎም ሓበሬታታት ካብ ፖለቲካዊ ጣልቃ ምእታው ናጻ ምዃኖም ከምዝፈልጡ ዝሕብር እዩ። ነዚ ረዚን ሓላፍነት’ዚ ክብ ኣቢልና ኢና ንርእዮ። ከምኡ ንገብር ድማ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ውግእ ኣብ ዝተወለዐሉ ጊዜ ጥራይ ዘይኰነስ ዜናታት መላእ ዓለም ኣብ እንሽፍነሉ እዋን’ውን እዩ\" ይብል ምሕደራ ድምጺ ኣሜሪካ(VOA) ንተጋሩ ተቃወምቲን ደገፍቶምን ትማሊ ዘቅረብዎ ስምዕታን ተቃውሞን ኣብ ዝሃቦ ግብረ መልሲ። ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝነብሩ ተጋሩን ካልኦት ኢትዮጵያዊያንን ‘ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ኣገልግሎት ኣምሓርኛን ትግርኛን፣ ነቲ ኣብ ትግራይ ንዝሓለፉ ኣስታት 200 መዓልታት ዝተካየደ ዝብልዎ ‘ህልቂት’፣ ጸግዒ ዝሓዘ ኣጸባጽባን ኣነኣኢሶም ብምርኣይን ሸፈነ ገይሮምሉ’ ክብሉ ኣብ ቅድሚ ህንጻ ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ከምዘቃልሑ ትማሊ ምግላጽና ዝዝከር እዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%89%B0%E1%8C%8B%E1%88%A9-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%89%85%E1%88%A8%E1%89%A5%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%88%95%E1%89%B6%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8C%A0%E1%88%88%E1%89%A3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%AA%E1%89%B1-%E1%8B%9D%E1%88%83%E1%89%A6-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-\/5915388.html"} {"headline":"መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ኣብ ክልል ትግራይ ዘካየዶ ሓገዝን ዳግመ ህንጸትን","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዘካይዶ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝን ዳግመ ህንጸትን ንኣህጉራዊ ገበርቲ ሰናይ ትካላት: ኣምባሳደራትን ከምኡ ንኣካላት ሕቡራት ሃገራት መብርሂ ሂቡ። ኣብ መጥቃዕቲ ደቀንስትዮ ተሳቲፎም ኣብ ልዕሊ ዝተባህሉ 60 ኣባላት ፖሊስን ምክልኻልን ስጉምቲ ከምዝተወስደ`ውን ሓቢሩ። ነቲ መብርሂ ዝመርሐ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን፡ ኣብ ክልል ትግራይ ተቛሪጾም ዝነበሩ ኣገልግሎታት ናብ ዝነበርዎ ንምምላስ ብርክት ዝበሉ ዕዉታት ተግባራት ምፍጻሞም ሓቢሩ። ንጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ድማ ብናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ብናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ብሓባር መርመራ ይግበር ከምዘሎ ኣቶ ደመቀ መኮነን ጠቒሱ። \"ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ኩሎም ኣካላት ብግልጽን ብተሓታቲነትንን ክሰርሑ ኣለዎም። ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ብሓባር ምስራሕ ጀሚሮም ኣለዉ። ብዓወት ክዛዝሙ ድማ ምቹእ ኩነታት ተፈጢርሎም ኣሎ። ካብቲ ውጽኢት መርመራ ብምብጋስ ስጉምቲ ክውሰድን በደልቲ ተሓተቲ ክኾኑን ኢና ንደሊ። ንጠቕላሊ ዓቀቢ-ሕግን ፖሊስን ምስጋና ይግብኦም`ዩ- እቲ ዝበጽሕዎ ሪፖርት ንዓለም-ለኸ ማሕበረሰብን ንዝተፈላለዩ ትካላትን ብወግዒ ሓቢሮም ኣለዉ።ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ሕጂ'ውን ስርሖም ቀጺሎም ኣለዉ።\" ሚኒስትር ሰላም ወ\/ሮ ሙፈርያት ካሚል ብወገና፡ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ 4 ሚልየን ዜጋታት ኣብ ካልኣይ ዙርያ ድማ 4.9 ሚልየን ዜጋታት ረድኤት ከምዝበጽሖም ጠቒሳ። ኣብቲ መስርሕ ገለ ኣባላት ፖሊስን ምክልኻልን ብጥሕሰት መሰላት ተሓተትቲ ኮይኖም ከምዘለዉ`ውን ሓቢራ። ግዳያት መጥቃዕቲ ዝኾና ደቀንስትዮ ኣብ ሓሙሽተ ማእከላት ኣገልግሎት ይረኽባ ከምዘለዋ`ውን ሓቢራ ። ንሳ ወሲኻ ኣብ ክልል ትግራይ እቲ ዝድለ ውጽኢት ንምምጻእ ናይ ዓለም-ለኸ ትካላትን መሻርኽቲ ሃገራትን ድጋፍ ወሳኒ ብምባል`ውን ኣብቲ ስራሕ ክደጋገፉ ጻዊዒት ኣቕሪባ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B6-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D%E1%8A%95-%E1%8B%B3%E1%8C%8D%E1%88%98-%E1%88%85%E1%8A%95%E1%8C%B8%E1%89%B5%E1%8A%95\/5915526.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ አባል ኣመራርሓ ብሓደራ ዘመሓድር ዘሎ ቦርድ ትእምት ኣቶ ሙሉኣለም ብርሃነ(2ይ ክፋል)","content":"ኣብ ትካላት ትእምት ዘጋጠመ ዕንወት ብናይ ውሽጢ ዓቅምና ብዝገበርናዮ መፅናዕቲ 11-ቢልዮን ቅርሺ ዝግመት ክሳራ እንተጋጥም ሕዚ ንተካኣዮ እንተኢልና ግን ካብ 50-60- ቢልዮን ቅርሺ’ዩ ዘድልዮ ክብሉ ኣባል ኣመራርሓ ብሓደራ ዘመሓድሮ ዘሎ ቦርድ ትእምት ኣቶ ሙሉኣለም ብርሃነ ገሊፆም። No media source currently available ትእምት ኣብ ስራሕ ዝነበሩ 14- ትካላት ኣብ ፕሮጀክት ዝነበሩ’ዉን 14-ትካላት ተመሓድር ፤ ዝለዓለ ብፂሒት ሼር ባንኪ ወጋገን ብምዕዳግ ፣ ሜጋ ሕትመትን ካልኦትን ኣለዋ። ካልኣይ ክፋል ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%AD%E1%88%93-%E1%89%A5%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%88%AB-%E1%8B%98%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%AD-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%89%A6%E1%88%AD%E1%8B%B5-%E1%89%B5%E1%8A%A5%E1%88%9D%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%88%99%E1%88%89%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%83%E1%8A%90(2%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%8D%8B%E1%88%8D)\/5913970.html"} {"headline":"ካብ ክልል ቤንሻንጉል ዝተመዛበሉ እኹል ሰብኣዊ ሓገዝ ኣይንረኽብን ኣለና ክብሉ ሓቢሮም","content":"ካብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ዞባ ካማሽ ወረዳ ሴዳል ብሰንሊ ፀገም ፀጥታ ተመዛቢሎም ኣብቲ ክልልን ምዕራብ ወለጋን ዝርከቡ ገለ ተመዛበልቲ እኹል ሰብኣዊ ሓገዝ ኣይንረክብ ዘለና ክብሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም። ናይ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኮሚሽን ኮሚሽነር ናይ ሓደጋ ስግኣት ስራሕ ኣመራርሓ ኣቶ ታረቀኝ ታሲሳ ተመዛበልቲ ኣብ ዝርከብሉ መዕቖቢ ይሕገዙ ኣለው ፤ እቲ ቅሬታ ግቡእ ኣይኮነን ኢሎም። ንሶም ወሲኾም ንኩነታት ፀጥታ ወረዳ ሴዳል ብምምሕያሽ ናብቲ ዝመፅሉ ንምምላስ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም። ብኻልእ ወገን ናይ ኦሮሚያ ክልል ስግኣት ሓደጋ ስራሕ ኣመራርሓ ኮሚሽን ኮሚሽነር ኣባድር ኣብዳ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ዘለው ተመዛበልቲ ድጋፍ ዝረኽቡሉ ምስ ናይቲ ዞባ መሪሕነት ተዘራርብና ኣለና ኢሎም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%A4%E1%8A%95%E1%88%BB%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%8A%A5%E1%8A%B9%E1%88%8D-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8A%95%E1%88%A8%E1%8A%BD%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8A%93-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D-\/5914087.html"} {"headline":"ተጋሩን ደገፍቶምን ኣብ ቅድሚ ቪኦኤ ናይ ተቃውሞ ድምጺ ኣስሚዖም","content":"ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝነብሩ ተጋሩን ካልኦት ኢትዮጵያዊያንን \"ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ኣገልግሎት ኣምሓርኛን ትግርኛን፣ ነቲ ኣብ ትግራይ ንዝሓለፉ ኣስታት 200 መዓልታት ዝተካየደ ዝብልዎ ‘ህልቂት’፣ ጸግዒ ዝሓዘ ጸብጻብን ኣነኣኢሶም ብምርኣይን ሸፈነ ገይሮምሉ\" ክብሉ ኣብ ቅድሚ ህንጻ ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ኣቃሊሖም። አቶም ሰልፈኛታት \"ቪኦኤ ኣገልግሎት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ንዝሓለፉ 40 ዓመታት ብፍላይ ድማ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 6 ኣዋርሕ ‘ጸረ ተጋሩ’ መርገጺ ሒዙ ይሰርሕ ኣሎ\" ኢሎም ይነቅፉ። ነቲ ሰልፊ ካብ ሞንጎ ዘዳለው ሓንቲ ራሄል ይፍጠር \"ናብ ህንጻ ቪኦኤ ዝመጻናሉ ቀንዲ ምኽንያት፣ ቪኦኤ ንሓቂ ክጽብጽብ ኣለዎ፣ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ካልእ እዩ፣ ሰብኣዊነት ካኣ ካልእ እዩ። ንዝሓለፉ 40 ዓመታት ቪኦኤ ናይ ርእሱ መርገጺ ክህልዎ ይኽእል እዩ፣ ንመንግስቲ ክቃወም ይኽእል እዩ። ኣብ’ዚ ሰዓት’ዚ ግን ዓለም ሪኢዎ ዘይፈልጥ፣ ሎሚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ነገር ዘስካሕክሕ እዩ፣ ንሰብኣዊነት እዩ ቪኦኤ ጠጠው ክብል ዘለዎ፣ ቪኦኤ ስራሕኩም ግበሩ ክንብል ኢና መጺና\" ኢላ። በቶም ሰልፈኛታት ዝተዳለወ ጽሑፍ ናብ ዝምልከቶ ሓለፍቲ ቪኦኤ ከምዘረከቡ ዝገለጸ ኣቶ መስፍን ኣየነው ብወገኑ መልሲ ካብ ምሕደራ ቪኦኤ ይጽበዩ ከምዘለው ሓቢሩ። ንሕና’ውን ካብ ምሕደራ ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ግብረ መልሲ ንምርካብ ንሰርሕ ኣለና። ምስ ረኸብና ክነቅርበልኩም ኢና። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%8C%8B%E1%88%A9%E1%8A%95-%E1%8B%B0%E1%8C%88%E1%8D%8D%E1%89%B6%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%85%E1%8B%B5%E1%88%9A-%E1%89%AA%E1%8A%A6%E1%8A%A4-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%89%83%E1%8B%8D%E1%88%9E-%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%9A%E1%8B%96%E1%88%9D\/5914066.html"} {"headline":"ኣምባሳደር አርአያ ደስታ ዓሪፎም","content":"ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ ብዝሓደሮም ሕማም ኣብ መበል 75 ዓመቶም ከምዝዓረፉ ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዝዘርግሑዎ ናይ ቲዊተር መልእኽቲ ኣፍሊጦም። መልእኽቲ ኣቶ የማነ ኣምባሳደር ኣርአያ ደስታ ኣብ 1981 ናብ ህዝባዊ ግንባር ብምፅንባር ንዝሓለፉ ኣርብዓ ዓመታት ንህዝቦምን ሃገሮም ብዝለዓለ ተወፋይነት ኣገልጊሎም ይብል ። ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ ኣምባሳደር ስዊድን፣ ቻይና፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ብምዃኑ ምግልጋሎም መልእኽቲ ኣቶ የማነ ይገልፅ።ስነስርዓት ቀብሪ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ መቓብር ሓርበኛታት ዝቕፅል ሰንበት ከምዝፍፀም እውን ኣቶ የማነ ገሊፆም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B3%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A0%E1%88%AD%E1%8A%A0%E1%8B%AB-%E1%8B%B0%E1%88%B5%E1%89%B3-%E1%8B%93%E1%88%AA%E1%8D%8E%E1%88%9D-\/5913998.html"} {"headline":"መቐለ: ኣብ ዓይደር ሆስፒታል ብሰንኪ ሕጽረት ኦክስጂን 22 ተሓከምቲ ምሟቶም ተሓቢሩ","content":"ኣብ ከተማ መቐለ ሬፈራል ሆስፒታል ዓይደር 22 ተሓከምቲ ብሰንኪ ስእነት ኦክስጅን ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙን ህይወቶም ሓሊፉ ክብሉ ሜዲካል ዳይሬክተር ሆስፒታል ዓይደር ዶ\/ር ክብሮም ገብረስላሰ ገሊፆም:: እቲ ሆስፒታል ብምኽንያት ሕፅረት ኦክስጅን ስራሕቲ እቲ ሆስፒታል ምትዕንቃፉ'ውን ሓቢሩ:: ሜዲካል ዳይሬክተር ሬፈራል ሆስፒታል ዓይደር ዶክተር ክብሮም ገብረስላሰ ንድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል እቲ ዘሎ ክፍተት ኣብ ዝቕፅሉ ውሑዳት መዓልታት ንምስትኽኻል ይስራሕ ኣሎ ኢሎም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%8B%AD%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%88%86%E1%88%B5%E1%8D%92%E1%89%B3%E1%88%8D-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%88%95%E1%8C%BD%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A6%E1%8A%AD%E1%88%B5%E1%8C%82%E1%8A%95-22-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5913983.html"} {"headline":"ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 3 ኣዋርሕ ን 1 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ረድኤት ምብጽሑ ገሊጹ","content":"ፕሮግራም መግቢ ዓለም፣ ኣብ ደቡባዊን ምብራቃዊን ትግራይ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ፣ ንሓደ ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘባጸሐ ገሊጹ። ኣብ ትግራይ 5.2 ሚልዮን ህዝቢ፣ እዚ ማለት 91 ሚእታዊት ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ውግእ ተጸባዪ ረድኤት ኮይኑ ከምዘሎ እቲ ዜና ይሕብር። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%88%88%E1%8D%89-3-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%8A%95-1-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8C%B9%E1%8C%BD-%E1%88%A8%E1%8B%B5%E1%8A%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%88%91-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5912676.html"} {"headline":"ዩኒሴፍ ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ውግእ ኣብ ቆልዑ ዝፍጸም ግህሰት ኣይነከየን ኢሉ","content":"ትካል ህጻናት ኣድሕን ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) \"ኣብ ትግራይ፣ ውግእ ካብ ዝጅምር ድሕሪ ሸውዓተ ኣዋርሕ፣ ኣብ ልዕሊ ቆልዑ ዝፍጽመ ግህሰት መሰላት ስፍሓቱን ዕምቆቱን ሎሚ’ውን ኣይነከየን\" ኢሉ ። እቲ መግለጺ \"ልዕሊ 6 ሽሕ ኣላዪ ዘይብሎም ወይ ካብ ወለዶም ዝተፈላለዩ ቆልዑ ምልላይ ከምዝተኻኣለን ንዕቑባን ሓገዝን ከምዝተመዝገቡን፣ ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታ፣ ካልኦት ቆልዑ ናብ ዝነብርሉ ከባቢታት ምእታው ስለዘይተካኣለ’ምበር ተመሳሳሊ ጸገም ዘለዎም ቆልዑት ከምዝህልው፣ ብጸገም ርክባት፣ ሕጽረት ማሕበራዊ ሰራሕተኛታትን ናይ ምንቅስቃስ ደረትን፣ ወለዲ ምስ ደቆም ንምርኻብ ከምዘይተካኣለ\" ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ሓቢሩ። እቲ መግለጺ \"ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን፣ ሎሚ’ውን ንጾታዊ መጥቓዕቲ ተቓሊዓን ኣለዋ፣ ልዕሊ 450 ብህይወት ዝተረፋ ክንክን ይግበረለን ከምዘሎ፣ ኣልማማ ሕጽረት ጸጥታን መጥቓዕቲ ከውርዱለይ’ዮም ዝብል ፍርሂን ተደማሚሮም፣ ንብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ዘድልየን ኣገዳሲ ሓገዝ ንምልጋስ ኣጸጋሚ ገይርዎ ኣሎ\" ይብል ። ብውሑድ 1.6 ሚልዮን ህዝቢ፣ እቶም 720 ሽሕ ቆልዑ እዮም፣ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ውግእ ተፈናቂሎም ኣለው። መዓስከር ስደተኛታትን ተፈናቀልቲን፣ ጽቅጥቅጥ ዝበዝሖም ኮይኖም ይራኣዩ፣ እዚ ኩነታት’ዚ ድማ፣ ጾታዊ መጥቃዕቲን ዓመጻትን ንክፍጸም ጥጡሕ ባይታ ከምዝፈጥር ዩኒሴፍ ይሕብር። ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ውግእ፣ ቆልዑ ከቢድ ዋጋ ይኸፍሉ ኣለው፣ብመሰረት’ዚ ኩሎም ተዋጋእቲ ሓይልታት፣ ንመሰረታዊ መሰላት ከኽብሩ፣ ዘይተደረተ መሰል ምንቅስቃስ ናብ ሓገዝ ዘድልይዎም ብሕልፊ ናብ ቆልዑ ንክህሉ ንከፍቅዱ ዩኒሴፍ ጸዊዑ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%88%B4%E1%8D%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8B%8D%E1%8C%8D%E1%8A%A5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%86%E1%88%8D%E1%8B%91-%E1%8B%9D%E1%8D%8D%E1%8C%B8%E1%88%9D-%E1%8C%8D%E1%88%85%E1%88%B0%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8A%90%E1%8A%A8%E1%8B%A8%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%88%89\/5912652.html"} {"headline":"ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ናይ 6 ኣዋርሕ ኣፈጻጽማ ስራሕ'ቲ ምምሕዳር ምግምጋሙ ተገሊጹ","content":"ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፣ ንናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ አፈጻጽማ ስራሕ እቲ ምምሕዳር ከምዝገምገመ ተገሊጹ። ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዶ\/ር ኣብርሃም በላይ፣ ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ይትግበር ዝነበረ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን፣ ንተወሳኺ ጊዘ ከይናዋሕ ብምግባር፣ ህዝቢ ኣብ ከይዲ ምኽባር ሰላሙን ደሕንነቱን ዝለዓለ ተሳትፎ ክህልዎ ንምግባር ይስራሕ ኣሎ’ ምባሎም ተሓቢሩ'ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8A%E1%8B%9D%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%93%E1%8B%AD-6-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8C%BB%E1%8C%BD%E1%88%9B-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%88%9D%E1%8C%8B%E1%88%99-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5912636.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ አባል ኣመራርሓ ብሓደራ ዘመሓድር ዘሎ ቦርድ ትእምት ኣቶ ሙሉኣለም ብርሃነ","content":"ኣብ ትካላት ትእምት ዘጋጠመ ዕንወት ብናይ ውሽጢ ዓቅምና ብዝገበርናዮ መፅናዕቲ 11-ቢልዮን ቅርሺ ዝግመት ክሳራ እንተጋጥም ሕዚ ንተካኣዮ እንተኢልና ግን ካብ 50-60- ቢልዮን ቅርሺ’ዩ ዘድልዮ ክብሉ ኣባል ኣመራርሓ ብሓደራ ዘመሓድሮ ዘሎ ቦርድ ትእምት ኣቶ ሙሉኣለም ብርሃነ ገሊፆም። ትእምት ኣብ ስራሕ ዝነበሩ 14- ትካላት ኣብ ፕሮጀክት ዝነበሩ’ዉን 14-ትካላት ተመሓድር ፤ ዝለዓለ ብፂሒት ሼር ባንኪ ወጋገን ብምዕዳግ ፣ ሜጋ ሕትመትን ካልኦትን ኣለዋ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%AD%E1%88%93-%E1%89%A5%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%88%AB-%E1%8B%98%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%AE-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%89%A6%E1%88%AD%E1%8B%B5-%E1%89%B5%E1%8A%A5%E1%88%9D%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%88%99%E1%88%89%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%83%E1%8A%90\/5911444.html"} {"headline":"ኢትዮጵያዊያን ንውሳነ እገዳ ቪዛ ኣሜሪካ ብምቅዋም ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት'ታ ሃገር ሰልፊ አካይዶም","content":"ብኣሽሓት ዝቁፀሩ ኢትዮጵያውያን ምስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ጨካን ኩናት ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዝግበር ተጽዕኖ ንምቅዋም ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ብርክት ዝበላ ከተማታትን ኢትዮጵያ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም ። እቶም ሰልፈኛታት ዝሓዝዎም ጭርሖታት ዝተፃሕፍዎም ባነራት \"ኣሜሪካን ካልኦት ማሕበረሰብ ዓለምን ኣብ ትግራይ ግፍዕታት ይፍጸም ኣሎ ንዝብል ሻቕሎቶም ንቃወም።ሰራዊት ኢትዮጵያ ነቶም ኣብታ ክልል ዝነበሩ ዓመፅቲ ካብ ስልጣኖም ኣውሪዱ ነቶም በረኻ ዝሰፈሩ መራሕቲ ንምሓዝ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ ዝብልን ሰራዊት ኤርትራ'ውን ንሰራዊት ኢትዮጵያ ሓገዝ ይህቡ ምህላዎምን ንኽወፁ ዘተሓሳስብ ዓለምለኸ መፀዋዕታ ንቃወም: መናእሰይ ኢትዮጵያ ምትእትታው ምዕራባውያን ንኹንን\" ዝብሉ መጸዋዕታታት ይርከቡዎም ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝወርድ መጥቃዕቲ ዘየቋርፅ እንተኾይኑ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተወሳኺ ስጉምትታት ክውሰድ ይክእል እዩ ኢሉ ኔሩ`ዩ ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%8A%A5%E1%8C%88%E1%8B%B3-%E1%89%AA%E1%8B%9B-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%89%85%E1%8B%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D\/5911329.html"} {"headline":"ሁማን ራይትስ ዎች 'ኣብ ትግራይ ኣብያተ ትምህርቲ መጥቃዕቲ ይወርዶም: ይዝረፉን ይፈርሱን ኣለው' ክብል ኣብ ዘውጽኦ ሪፖርት ሓቢሩ","content":"ሁማን ራይትስ ዋች “ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣብቲ ውግእ ብዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት ኣብያተ ትምህርቲ መጥቃዕቲ ይወርዶምን ይፈርሱን ይዝረፉን ኣለዉ\" ክብል ቅድሚ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ሪፖርቱ ኣፍሊጡ። እቲ ዓለምለኸ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብቲ ሪፖርቱ ቢሮ ትምህርቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብዚ ወርሒ ግንቦት ኣውጺእዎ ኣብ ዝበሎ ሓበረታ 15 ኣብያተ ትምህርቲ ከቢድ ጉድኣት ከምዝወረደንን ካልኦት 53 ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝተጎድኣ ኣብ ደቡብ ትግራይ ድማ 2 መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ሰፊሮመን ከምዝርከቡ ምግላጹ ኣመልኪቱ`ሎ። ወታሃደራዊ ተሽከርከርቲ ዝሓለፈ ታሕሳስን መጋቢትን ኣብ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ ኣጼ ዮሃንስ ከምዝተራእያ ዝገልጽ ሁማን ራይትስ ዋች፡ ኮምፒተራት ፕላዝማ ስክሪናትን መግብን ንብርክት ዝበሉ ሰሙናት እናጸዓና ከውጽኣ ከምዝርኣዩ ብዙሓት ነበርቲ መቐለ ከም ዝነገርዎ ብምግላጽ፡ እቶም ወተሃደራት ምስ ወጹ ድማ ነበርቲ ኣብ ልዕሊ ክፍልታት ትምህርቲ መስመራት ኤለክትሪክን ማይን ከምኡ ካልኦት ንብረታት ጉድኣት ወሪዱ ከምዝጸንሖም ከምዝነገርዎ ይገልጽ። ሁማን ራይትስ ዋች ኣብቲ ሪፖርቱ- ኣብቲ ቀጽሪ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ይኹን ካልእ መጥቃዕቲ ምንባሩን ዘይምንባሩን ከምዘየረጋገጸ ብምጥቃስ፡ ግን ናብቲ ወተሃደራዊ ምልክት ዝተለጠፈሉ ቀጽሪ ደቀኣንስትዮ ክኣትዋን ክወጻን ምርኣዮም-ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ንመዓልታት ከም ዝጸንሓ ነበርቲ ነጊሮምኒ ይብል ። ሁማን ራይትስ ዋች ኣብ ትግራይ ኣብያተ ትምህርቲ ንምኽፋት ሰበ-ስልጣን ይጽዕሩ`ኳ እንተሃለዉ፡ ርብዒ ዝኣኽሉ ምጉድኦምን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ድማ መማህራን ምፍንቓሎም ሕጽረት ንብረት ምህላዉ 48 ሺሕ ዝኾኑ መማህራን ናይ ስነልቦናን ኣእምሮ ጥዕናን ድጋፍ ከምዘድልዮም ይግለጽ ። ኣብ ናይ ውልቂ ኣብያተ ትምህርቲ ዝምህሩ ዝነበሩ ድማ ደሞዞም ብምቁራጹ ንቤተሰቦም ምምጋብ ከምዘይክኣሉ ሓቢሩ`ሎ። ኣብ ትግራይ ውግእ ካብ ዝጀምረሉ ጊዜ ንነጀው ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝተዘረፉ፣ መዓስከር ሰራዊት ከምዝኾኑ፣ ብከቢድ ኣጽዋር ከምዝተወቅዑን፣ ገሊኦም ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣገልግሎት ንምሃብ ኣብ ዘይኽእልሉ ብርኪ ከምዝርከቡ ሁማን ራይት ዋች ኣብ’ዚ ሳልስቲ ኣፍሊጡ። ተሓላቂ መሰላት ዝኾነ ሁማን ራይት ዋች ኣብ መቀለ፣ ኣብ አኽሱም፣ ዓድዋን ደቡባዊ ዞባን ኣብ ልዕሊ መባእታን ካልኣይን ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ዝወረዱ ጉድኣታት ጠቂሱ ኣሎ። ወትሃደራት ኤርትራ፣ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽ ዝነበራ ኣብያተ ትምህርቲን ቤት ጽሕፈታትን ዝሓለፈ ሕዳር ኣውሪዶምዎ ንዝበሎ ጉድኣት ኤርትራዊያን ስደተኛታት ከምዝሓበርዎ፣ ኣብ እዋን’ቲ ውግእ ኩሎም ተዋጋእቲ ሓይልታት፣ ኣብያተ ትምህርቲ ንወትሃደራዊ መደብርነት ከምዝተጠቀሙሎም፣ ወትሃደራት ኤርትራ፣ ኣኽሱም ኣብ ዝርከብ መባእታዊ ቤ\/ትምህርቲ ባዜን ከምዝሰፈሩ ሁማን ራይት ዋች ገሊጹ እዩ። እቲ ትካል ሰራዊት ትግራይ ብወገኑ፣ ኣብ ደቡባዊ ትግራይ፣ ውግእ ቅድሚ ምጅማሩ፣ ብሶብር ኣብ ዝተባሃለ ቤ\/ትምህርቲ ገጠር ንኣዋርሕ ዓስኪሮምሉ ከምዝነበሩ፣ ኣብ ዙርያ’ቲ ቤ\/ትምህርቲ ዕርዲታት ከምዝሰርሑን፣ ቤት ጽሕፈት ዳይረክተር እቲ ቤ\/ትምህርቲ ማኻዚኖ ከምዝገበርዎ ካብ ሚድያታት፣ ኣብ ጥቃ ሽመልባ ዝርከብ 2ይ ብርኪ ቤ\/ትምህርቲ እቶም ተዋጋእቲ ሒዞምዎ ከምዝነበረ ካብ ሳተላይት ኣሳእል ንምፍላጥ ኪኢለ ኣለኹ ይብል ። እቲ ተሓላቒ መሰል ዘቕረቦም ካልኦት ነጥብታትን ምላሽ ዝምልከቶም መንግስታዊ ኣካላትን ሒዝና ጽባሕ ክምለሰኩም ኢና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%81%E1%88%9B%E1%8A%95-%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%89%B5%E1%88%B5-%E1%8B%8E%E1%89%BD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AB%E1%89%B0-%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%83%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D-%E1%8B%AD%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%8D%89%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%8D%88%E1%88%AD%E1%88%B1%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%98%E1%8B%8D%E1%8C%BD%E1%8A%A6-%E1%88%AA%E1%8D%96%E1%88%AD%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5911311.html"} {"headline":"ኢዜማ ኣብ ከተማ ባህርዳር ህዝባዊ አኼባ አካይዱ","content":"ፓርቲ ማሕበራዊ ፍትሒ ዜጋታት ኢትዮጵያ(ኢዜማ​) ሃገራዊ ሓድነት ኣብ ልዕሊ ዝሰብኩ ፓርታት ፖለቲካ ኣበየ ቦትኡ ዝግበር ምክልባት፡ ንኢትዮጵያ ብዓሌት ከፋፊሎም ንምፍራስ ኣጀንዳ ናይ ዝሓዙ ሓይልታት ውዲት`ዩ ኢሉ ። ኢዜማ ኣብ ባህርዳር ጎስጓስ ምርጫ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን ዝተዛረበ አቦ መንበር'ቲ ፓርቲ ፕሮፈሰር ብርሃኑ ነጋ-ህዝቢ ኣምሓራ ንዝሓለፈ 30 ዓመታት ብብሄር ተወደብ ክብሃል ከሎ እምቢ ብምባሉ- ንኢትዮጵያ ካብ ምብትታትን ዝተኸላኸለ ህዝቢ`ዩ ኢሉ። ኢዜማ ካብ ብልጽግና ፓርቲ ዝፈልዮ ኣርባዕተ ነጥብታት ከም ዘለዉዎ ዝገለጸ ፕሮፈሰር ብርሃኑ ነጋ፡ ብፍላይ ኣብቲ ዘሎ ሕገመንግስቲ ነቲ ብልጽግና ዝሓዞ መርገጽ ብግልጺ ከምዝቃወም ኣፍሊጡ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%8B%9C%E1%88%9B-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%AD%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%8A%A0%E1%8A%BC%E1%89%A3-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/5911258.html"} {"headline":"ኣሜሪካዊ ሰነተር ጂም ኢንሆፍ ኣብ አዲስ አበባ ምብጻሕ የካይዱ ምህላዎም ተገሊጹ","content":"ኣሜሪካዊ ሪፓብሊካን ሰነተር ጂም ኢንሆፍ ኣዲስ ኣበባ ምእታዉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጡ። ብመሰረት ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ማሕበራዊ ገጹ \"ፈታዊ ኢትዮጵያ ሰነተር ጂም ኢንሆፍ ናብ ካልአይቲ ዓዶም ዝኾነት ኢትዮጵያ እንቋዕ ደሓን መጹ \" ኢሉ`ሎ። ሰነተር ጂም ኢንሆፍ ዝሓለፈ ሰሙን ነቲ ኣሜ​ሪካ ዘሕለፈቶ ናይ ቪዛ እገዳ ኣመልኪቱ ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ​ ክዛረብ ከሎ፡ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘሕለፎ ናይ ቪዛ እገዳ እቃዎሞ`የ ድሕሪ ምባል፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ`ቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ሓደ መስርዕ ንምቕማጥ ምፍታን ተቐባልነት የብሉን ኢሉ ኔሩ። ሰነተር ጂም ኢንሆፍ ብተወሳኺ`ውን 'መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኩሎም ሰለማዊ ፍታሓት ኣብ ምምጻእ ኣብ ምስራሕ`ዩ ዝርከብ ዘሎ- ሰላምን ሓድነትን ካብ ምምጻእ ወጻኢ ካልእ ኣካይዳ ኣይከደን ምባሉ ተሓቢሩ`ሎ። ዕላማ መገሻ ሰነተር ኢንሆፍ ኮነ ናብ ኢትዮጵያ ዝኸደ ብውልቁ ይኹን ብወግዓዊ ተልእኮ ዝተገልጸ ነገር የለን- ሓበረታ ምስ ረኽብና ክነቕርበልኩም ኢና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%88%B0%E1%8A%90%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8C%82%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%8A%95%E1%88%86%E1%8D%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8B%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5911245.html"} {"headline":"ዘተ ኣብ ክታበት ቫይረስኮሮና","content":"ብዛዕባ ክታበት ኮቪድ 19 ወይ ከኣ ቫይረስኮሮና ዝዝረቡ ወረታትን ጥርጣረታትን ደሕንነት ክታበት ኮሮና ቫይረስን ዝብል ኮይኑ’ሎ ናይዚ ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበትን መደብ ሕቶን መልስን ። ኣብዚ መደብ’ዚ ዝተሳተፉ ኣጋይሽና ካብ መቀለ ሓላፊ ክፍሊ ምክልኻል ኮቪድ ዶክተር ሓርነት ኣዳነን ሓላፊ ክፍሊ ክታበት ኮቪድ ኣቶ ገብረሃወርያ ገብረክርስቶስን፡ ካብዚ ካብ ኣሜሪካ ክፍለግዝኣት ዊስክንሰን ከኣ ዶክተር ዳውድ ሲራጅ ፕሮፌሰር ማዲሰን ዪኒቨርስትን ኪኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ንክታበት ኣስትራዚንካ ኣብ ሰባት ብምፍታን ኣብ ዝተኻየደ መፅናዕቲ ዝተኻፈሉን’ዮም። ሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ድምፂ ጠውቅዎ። No media source currently available No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%89%B0%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%B5-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-\/5911199.html"} {"headline":"ኣሜሪካዊያን ኣባላት ኣብያተ ምኽሪ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ዝምልከት ርእይቶ ሂቦም","content":"ኣሜሪካዊያን ሴነተር ባብ ሜንደዝን ኮንግረስማን ግሪጎርይ ሚክስን ናብ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ዘቅረብዎ ጻውዒት \"ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ኣጽዋር፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ፋይናንሳዊ እገዳ ንክትግበር\" ጸዊዖም። ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ\"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ብህዝባዊ ተቃውሞ ተደጊፎም ናብ ስልጣን ክመጹ ከለው ኣብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ዘለና ኩላትና፣ ኢትዮጵያ ናብ ጎደና ዴሞክራሲ ክትበቅዕ እያ ዝብል ምትእምማን ነይሩና፣ እቲ ዘሕዝን ግና፣ ተስፋና በኒኖም ተሪፎም\" ይብሉ እቶም ። ቀዲሙ ክስራዕ ዘለዎ ምውጻእ ወትሃደራት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ እዩ። ፕረዚደንት ባይደን ምስ ዝረዳድእዎም መራሕቲ ካልኦት ሃገራት ኮይኖም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ኣጽዋር እገዳ ንክትግበር ክሰርሑሉ’ውን ኣተባቢዖም። ተመሳሳሊ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያዊያን’ውን ንክውሰድ፣ ካብ ዓለምለኻዊ ትካላት ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝውሕዝ ገንዘብ ንክቋረጽ’ውን ምምሕዳር ኣሜሪካ ንክዓየሉ ጸዊዖም። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ኣብ መድረኽ ሴነት ኣሜሪካ መደረ ዘስምዑ ሴነተር ጂም ኢንሆፍ \"ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንሰበ ስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራን ቪዛ እገዳ ከምዝገበረ ምስ ጠቀሱ ከምዝቃወምዎ\" ሓቢሮም። ሴነተር ኢንሆፍ ኣብ ዘረበኦም \"ጉጅለ ራዕዲ ዝተባሃለ ህወሓት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብማዕረ ምርኣይ ተቀባልነት ዘይብሉን ጌጋን እዩ፣ ዘቁጥዕ’ውን እዩ\" ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AB%E1%89%B0-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8A%95%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%88%82%E1%89%A6%E1%88%9D\/5908551.html"} {"headline":"ኣወሃሃዲት ሰብኣዊ ሓገዝ ሕ\/ሃ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ከተማ ሽረ ብወታሃደራት ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲ ንዝተፈጸመ ተግባር ኮኒነን","content":"24 ግንቦት 2021 ለይቲ ኣብ ትግራይ ከተማ ሽረ እንዳስለሰ ኣብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ብወታሃደራት ንዝተፈፀመ ሃንደበታዊ ማእሰርቲ፣መውቃዕትን ካልኦት ዓይነት ሕማቕ ኣተሓሕዛን ኣብ ኢትዮጵያ ኣዋሃዲት ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ካትሪን ሶዚ ኮኒነንኦ። ልዕሊ 200 ናይ ውሽጢ ተመዛበልቲ ብወታሃደራት ተሓፊሶም ከምዝተወስዱ ብምግላፅ ብዘይ ውዓል ሕደር ንክፍትሑ ፀዊዐን።ብመሰረት ሎሚ ዝበጽሓና ዜና እቶም ብወታሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ተወሲዶም ዝነበሩ ተመዛበልቲ ከምዝተፈትሑ ተሓቢሩ ኣሎ።ብዙሕ መውቃዕቲ ከምዝጋጠሞም ዝገለፁ ግዳያት ዘይተፈትሑ ገለ ሰባት ከምዝህልው እምነቶም ገሊፆም ኣለው። ኣዋሃዲት ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ካትሪን ሶዚ ንዝተጣህሰ ከቢድ መግሃስትታት ሕጊ ዓለምለኸ ሰብኣዊነትን ሰብኣዊ መሰላትን ክምርመርን ፈፀምቲ ናብ ፍርዲ ከቐርቡን ኣለዎም ኢለን። ወሃቢ ቃል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ዱጃሪክ ብወገኖም ምስ መሻርኽትና ኮይንናን ሓለዋ ስቪላት ንምርግጋፅ ምስ ኣዘዘቲ ሰራዊት ንምዝርራብ ድሉዋት ኢና ኢሎም።ዱጃሪክ ወሲኾም ሰብኣዊ ኩነታት ትግራይ ሕዚ እውን ኣብ ተበፃሕነቱ ፈታኒ ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ ኢሎም።ህዝቢ ብብዝሒ ኣብ ዝነብረሉ ማእኸላይ ዞባ ንዝበዝሕ ኣስታት 1.8 ሚሊዮን ምብፃሕ ኣይክኣልን ኢሎም። ሰራሕተኛታት ረድኤት ኣብ ዝበፅሕሎም ከባቢታት ሕፅረት መግቢ፣ ኣገልግሎት ማይን፣መብራህትን ኣገልግሎት ጥዕናን ሓዊሱ እቲ ኩነታት ሕማቕ እዩ ዘሎ ኢሎም። ብዘይ ውዓል ሕደር እንተድኣ ዘይተፈቲሑ ሓደጋ ጃምላዊ ሕሱም ሕፅረት መግቢ ኣንፀላሊዩ ኣሎ ኢሎም። ወሃቢ ቃል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ዱጃሪ ክሓገዝ ንዘድልዮም ሰባት ሰብኣዊ ረድኤት ብብዝሒ ንምቕራብ ዘይተደረተን ነባሪ ዝኾነ ተበፃሕነት ክረጋገጽ ፃዊዕትና ይቕፅል ኢሎም ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%8B%88%E1%88%83%E1%88%83%E1%8B%B2%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%BD%E1%88%A8-%E1%89%A5%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%98-%E1%89%B0%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%8A%AE%E1%8A%92%E1%8A%90%E1%8A%95\/5908500.html"} {"headline":"ኣሜሪካ: ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ክልል ትግራይ መንገዶም እንተዘይቀይሮም ተወሳኺ እገዳ ከምእተነብር ተጠንቅቕ","content":"ኣሜሪካ፡ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ክልል ትግራይ ጎንጺ ዘነሃህሩ ዘለዉ መንገዶም ዘይቅይሩ እንተኾይኖም ከም ብማግኒስኪ ዓንቀጽ ዝፍለጥ እገዳ ክገብር`የ ኢላ ተጠንቅቕ ኣላ። ኣብ መሪሕነት ዘለዉ ኣባላት ባይቶ`ውን ነቲ ግፍዕታት ንከብቅዕ ትርር ዝበለ ስጉምቲ ክውሰድ ይድግፉ`ለዉ። ብኻልእ ወገን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ፡ ምስ ዋሺንግተን ዘለዎ ዝምድና ከምዝግምግም ኣጠንቂቑ`ሎ። ኤርትራ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ ድማ፡ ተግባራት ኣሜሪካ ንህወሓት ካብ`ቲ ዝፈጸሞ ናይ ክሕደት መጥቃዕቲ፡ ካብ ተሓታትነት ናጻ ንምግባር ዕላማ ዘለዎ- ክትብል ገሊጻቶ`ላ:: ሰራዊታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሓደ ወገን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ድማ በቲ ሓደ ወገን ዘካይድዎ ግጭትልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ`ሎ:: ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ተቐቲሎም: ኣስታት 2 ሚልየን ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም\" ገለ 5 ሚልየን ድማ ሓደጋ ጥምየት ኣጋጢምዎም ኣሎ። ኣቦ መንበር ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ሰነተር ባብ መነንደዝ ኣብ ቅልውላው ትግራይ ትማሊ ሓሙስ ቃለ-ምስክርነት ዘካየደ ክኸውን ከሎ፡ መቓልሕ ምጽናት ዘርኢ ዳርፉር ይርኢ ከምዘሎ ገሊጹ:: \"ኩሎም ወገናት በቲ ግፍዕታት በደለኛታት`ዮም። ካብ ንረኽቦ ዘለና ጸብጻባት ግን ወተሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓገዝቲ ሚልሻታትን`ዮም ብዘይሓላፍነታዊ መንገድን ክፋእን ንሲቪላት ዒላማ ዝገብሩ ዘለዉ- ገበናት ኩናትን ገበናት ጸረ-ሰብኣውነትን ንርኢ ዘለና ኢና ንመስል\" ኢሉሰነተር መነንደዝ። እቲ ግጭትን ሰብኣዊ ቅልውላውን እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ መነንደዝን ካልኦት ሰነተራትን- ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ- እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ግፍዕታት ናብ ገበናት ኩናት ክድይብ ዝኽእል እንተኾይኑ ቀልጢፉ ገምጋሙ ክውድእ ጸዊዖም።' ሰነተር ጂም ሪሽ ብወገኑ ምስዚ ብምስምማዕ፡ ዓለም ከምዚ ዓይነት ኣብ ዳርፉርን ርዋንዳን ርእያቶ`ያ ኢሉ። ናይ ኣይዳሆ ሰነተር ሪች\"ኣሜሪካን መሓዙታን ካብ ምትብባዕን ጽምዶን ምስ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ምዝርራብ ዝብሉ ዲፕሎማሲታት ናብ ትግባረ ምስግጋር ክቕጽላ ኣለወን\" ኢሉ ። ጉጅላዊ ዓመጽ ትግራዎት ኣንስንት ኣዋልድን ብሰፊሑ ኣሎ- ዝብሉ ጸብጻባት ኣለዉ:: ሳራ ቻርለስ ካብ ዩኤስኤኣይዲ፡ እቲ ጭካነ ካብ መንጎ ዝረኣየቶም ዝኸፍኡ ሓደ`ዩ ክትብል ንሰነተራት ትነግር፡\"እቲ ጸብጻባት ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ደቀኣንስትዮ ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽን ካልእን ጥራይ ዘይኮነስ፡ነቲ ሕብረተሰብ ንምፍራስን ምዕናው ስድራቤትን ዝግበር ፈተነ`ውን`ዩ\" ትብል ሳራ ቻርለስ ገለ ገበነኛታት ንኣንስቲ እቕሽቲ ዒላማ ከምዝገብሩን፡ ንደቀኣንስትዮ ኣብ ቅድሚ ስድራቤተን ከም ዝብድልወንን ኣካለን ክሳብ ዝጉዳእ ጎንጺ ከምዝጥቀሙን ትዛረብ። ሮበርት ጎደግ ምኽትል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ክኸውን ከሎ፡ ኢትዮጵያ ኣብ መጥወዪ ቦታ`ያ ዘላ- መንገዳ እንተዘይቀይራ ከም እገዳ ዓንቀጽ ማግኒትስኪ ዝበለ ተወሳኺ ስጉምቲ ክጽበያ ይኽእል`ዩ ይብል- እቲ ምግኒትስኪ ዝብሃል- ገንዘብ ዘደስክልን-ንገሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ናብ ኣሜሪካ ከይኣትዉ ዝኽልክልን`ዩ። \"ኢትዮጵያ ኣብ ነጥቢ መቐይሮ`ያ ዘላ- መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ ጃምላዊ ማእሰርቲ-ምድራት ሚድያ- ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከምኡ ምውራድ ፖለቲካዊ ባይታ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ምፍሕፋሕ የስዕብ ኣሎ- ነቲ ንሰነ 21 ተመዲቡ ዘሎ ሃገራዊ ምርጫ`ውን ይጎድኦ`ሎ\" ይብል ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ነዚ ብውድባት ሰብኣዊ መሰላትን ትካላት ረድኤትን ዝቐርብ ጸብጻባት ኣይቅበሎን። መብዛሕቲኦም ኣብ ትግራይ ዝተቐተሉ ተዋጋእቲ`ምበር ሲቪላት ኣይኮኑን ይብል። ሚንስትሪ ወጻኢ ኢትዮጵያ ንዩኤስ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ጣልቃ ብምእታው ድሕሪ ምኽሳስ፡ እገዳታት ጸጥታ ዝቕጽል እንተኾይኑ፡ ምስ ዋሺንግተን ዘለዎ ዝምድና ከምዝግምግም ኣጠንቂቑ`ሎ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ዜና ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ ናይ ትዊተር ምላሽ ድማ ፡ ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ክሳብ ናይ ሰነት ኮሚቴ ዝምድና ወጻእን ካልእ ጨንፈራትን መንግስቲ ኣሜሪካ ዝካየድ ዘሎ ነገር፡ ናብ ሓደ ቴማ ክጸሪ ዝኽእል`ዩ ንሱ ድማ ንህወሓት ካብ`ቲ ዝፈጸሞ ናይ ክሕደት መጥቃዕቲ ተሓታቲ ካብ ምግባር ናጻ ጌርካ፡ ነቶም ተረፈመረፍ ኣኻኺብካ ትንፋስ ንምዝራእ ዝግበር ፈተነ`ዩ ኢሉ`ሎ። ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣተሓሒዙ፡ ቄናን ሚዛን ምስ ኣህጉራዊ ሕጊ ኣይቃዶን`ዩ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዞባዊ ርግኣትን ሰላምን`ውን ዘዛብዕ`ዩ ብምባል፡ ብህወሓት ብዝተወልዐ ኩናት ንዝሰዓበ ሰብኣዊ ቅልውላው ምውጋድ ሓደ ኮይኑ፡ ነቶም ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስዱ ዝተገደዱ ምኽሳስ ድማ ካልእ`ዩ ኢሉ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B6%E1%88%9D-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B3%E1%8A%BA-%E1%8A%A5%E1%8C%88%E1%8B%B3-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B0%E1%8A%90%E1%89%A5%E1%88%AD-%E1%89%B0%E1%8C%A0%E1%8A%95%E1%89%85%E1%89%95\/5908395.html"} {"headline":"ካብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ከተማ ሽረ ብወታሃደራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተወሲዶም ዝተባህሉ ተመዛበልቲ ምምላሶም ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ካብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ብወታሃደራት ተዓፊኖም ተወሲዶም ዝተብሃሉ ሰባት ትማሊ ኣማስዩ ከምዝተመለሱ ተሓቢሩ:: ብወታሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ተዓፊኖም ከምዝተወሰዱን መውቃዕቲ ከምዝበፅሖም ተዓፊኖም ዝተወሰዱ ሓቢሮም:: ኣብቲ ጉዳይ ካብ ኣመራርሓ እቲ ክልልን መንግስቲ ፌደራልን ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%95%E1%89%96%E1%89%A2-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%BD%E1%88%A8-%E1%89%A5%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B2%E1%8B%B6%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%89-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5908301.html"} {"headline":"'ጾመ ትግራይ' ብዝብል ክካየድ ዝቐነየ ፆምን ፀሎትን ተዛዚሙ","content":"\"ፆመ ትግራይ\" ብዝብል ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትግራይ ዝተኻየደ ፆምን ፀሎትን ትማሊ ተዛዚሙ:: በቲ ፆም ምኽንያት ኣብ ብዙሓት ከተማታደው ኢሉ ዝነበረ ኣገልግሎት መጓዓዝያን ስራሕቲ ትካላት ንግድን ሎሚ ዓርቢ ተጀሚሩ'ሎ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%BE%E1%88%98-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%8A%90%E1%8B%A8-%E1%8D%86%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%8D%80%E1%88%8E%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%99\/5908275.html"} {"headline":"ርእይቶ ነበርቲ ከተማ መቐለ ንእገዳ ቪዛ ኣሜሪካ","content":"ኣሜሪካ ኣብዚ ሰሙን ንመራሕቲ ኢትዮጵያ: ኤርትራ: ሓይልታት ኣምሓራን ኣባላት ህወሓትን ክልከላ ቪዛ ምግባራ ምግላፃ ስዒቡ ንድምጺ ኣሜሪካ ርእቶኦም ዝ ሃቡ ነበርቲ መቐለ ከምዚ ይብሉ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%8C%88%E1%8B%B3-%E1%89%AA%E1%8B%9B-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-\/5907030.html"} {"headline":"ኣመሓዳሪት ዩኤስኤኣይዲ ብሞት ሰራሕተኛ ረድኤት'ቲ ትካል ዝተሰምዐን ሓዘን ገሊጸን","content":"ኣማሓዳሪት ረድኤት ስግር ባሕሪ ኣሜሪካ(USAID) ሳማንታ ፓወር፣ ብምኽንያት ቅንጸላ ሓደ ሰራሕተኛ’ቲ ትካል ብወትሃደራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ትግራይ ዝተሰመዐን ሓዘን ገሊጸን። እቲ ዝሞተ ሰብ፣ ኣብ’ቲ ክልል ምስ ረድኤት ስግር ባሕሪ ኣሜሪካ ኮይኑ ወሳኒ ረድኤት ንህዝቢ የባጽሕ ዝነበረ ከምዝኾነ ዝጠቀሳ ሳማንታ ፓወር፣ ሰራሕተኛታት ረድኤት ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣውዲቆም ነቶም ብሰንኪ ሰብ ሰራሕን ተፈጥሮኣዊን ጸገማት ዝተጎድኡ ንምሕጋዝ ይነጥፉ ከምዘለው ጠቂሰን። ንሰን \"ንሰላማዊ ፍታሕን ብሩህ መጻኢን ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓባር ኣብ ንሰርሓሉ እዋን፣ ብሰንኪ’ዚ ምፍርራሕ፣ ምጉብዕባዕ፣ ጉድኣትን ቅትለትን’ዚ፣ ትብዓትን መስዋእትን እቶም ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት የባጽሑ ዘለው ሰራሕተኛታት ረድኤት ከንቱ ኮይኑ ኣይተርፍን\" ኢለን። ኣብ ትግራይ ውግእ ካብ ዝጀመረሉ ሕዳር ንነዘ፣ ብውሑድ ሸውዓተ ኣባላት ትካላት ረድኤት ኣብ ስራሕ ከለው ተቀቲሎም እዮም። እዚ ዳሕረዋይ ቅንጸላ ኮነ ተባሂሉ ዝተፈጸመ ከምዝኾነ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ረድኤት እናሓየለ ይመጽእ ዘሎ ኣሰካፊ መጥቓዕቲ ኣንጻር ሰራሕተኛታት ረድኤት እዩ ኢለን። \"ኣሜሪካ ንህዝቢ ትግራይ ንክተሕግዝ ቅርብቲ እያ\" ዝበላ ሳማንታ ፓወር፣ \"ቃንዛኦም ንከይናዋሕን ንከብቅዕን ወትሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ግድን ክወጹ ኣለዎም፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይ ዕንቅፋት ምብጽሑ ከረጋግጽ፣ ንገበነኛታት ናብ ፍርዲ ከቅርብን ኣብ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክበጽሕ ኣለዎ\" ኢለን። \"ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ካብ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝቀረበሉ ነቀፌታን ስምዕታን ከምዝነጸጎ\" ዝዝከር እዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%B3%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%8B%A9%E1%8A%A4%E1%88%B5%E1%8A%A4%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%89%A5%E1%88%9E%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B0%E1%8A%9B-%E1%88%A8%E1%8B%B5%E1%8A%A4%E1%89%B5-%E1%89%B2-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%88%9D%E1%8B%90%E1%8A%95-%E1%88%93%E1%8B%98%E1%8A%95-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B8%E1%8A%95\/5906986.html"} {"headline":"ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ንክልተ ዓለምለኸ ጉጅለታት ተዓዘብቲ ኣፍልጦ ምሃቡ ገሊጹ","content":"ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ፣ ንክልተ ዓለምለኸ ጉጅለታት ተዓዘብቲ ኣፍልጦ ከምዝሃበ ገሊጹ። እቲ ቦርድ ኣፍልጦ ዝሃበ፣ ንጉጅለ ተዓዘብቲ ዓለምለኸ ሪፐብሊካን ኢንስትትዩትን ዓለምለኸ ዲሞክራቲክ ኢንስትትዩትን እዩ። እቲ ቦርድ፣ እቶም ትካላት ንዘቅረብዎ ሜላ መጽናዕቲ ገምጊሙ፣ ንመሰረታዊ መትከላት ዓለምለኻዊ ተዓዘብቲን ዓለምለኻዊ መትከላት ስነ ምግባር ብዝስዕብ ኣገባብ ከምዝሰርሑ ናብ ስምምዕነት ስለዝፈለጠ፣ ናይ ምዕዛብ ኣፍልጦ ከምዝሃበ ገሊጹ ኣሎ። ብሰንኪ ኮቪድ 19፣ እቶም ዓለምለኸ ተዓዘብቲ፣ ዝፍጽምዎ ተግባርን ደረት ቦታ ከምዝህልዎ፣ እዚ ድማ ንስራሕቶምን ዝበጽሕዎ መደምደምታን ዝገልጽ ከምዝኾነ፣ እቶም ተዓዘብቲን ምስ’ቲ ቦርድ ኣብ ምርድዳእ ከምዝበጽሑ እቲ ዜና ሓቢሩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A6%E1%88%AD%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%98%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8D%E1%8C%A6-%E1%88%9D%E1%88%83%E1%89%A1-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9-\/5906903.html"} {"headline":"ዓቓቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ወ\/ሮ ኬርያ ኢብራሂም ክሲ ከምዝምስርት ሓቢሩ","content":"ዋና ዓቃቢ ኢትዮጵያ ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን ኣፈ ጉባኤ ፌደረሽን ኢትዮጵያ ዝነበራ ወ\/ሮ ኬርያ ኢብራሂም፣ \"ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓ ህወሓት ክምስክር እየ\" ኢለን ድሕሪ ምስምመዐን፣ ኣብ ቤት ፍርዲ ምስ ቀረባ ሓሳበን ለዊጠን \"ኣይምስክርን\" ኢለን ኢሉ ከምዝከሰን ገሊጹ። ጠበቓኣን ኣቶ ሃፍቶም ከሰተ ብወገኑ \"ወ\/ሮ ኬርያ ኢብራሂም፣ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ኣመራርሓ ህወሓት ንክምስክራ ኣይተሰማማዓን፣ ብምስጢር ተቀሪጹ ብዝተባሃለ ቪድዮ ስለዝሓዝወን እዩ ነታ ዕለት ይጽበዩዋ ዝነበሩ\" ኢሉ። ዓቃቢ ሕጊ ግና ነዚ ሓሳብ’ዚ ከምዘይቅበል፣ ዝኣክል ጭብጢ ከምዝሓዘን፣ ኣብ ሰዓቱ ከምዘቅርብ ጠቂሱ ኣሎ። ምክትል ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣቶ ፈቃዱ \"ወ\/ሮ ኬርያ፣ ክምስክር እየ ኢለን ድሕሪ ፈቃደኛ ምዃነን ካብ ማእሰርቲ ከምዝተፈትሓን ሓለዋ ይግበረን ከምዝጸንሐን\" ገሊጾም። ጠበቓኣን ኣቶ ሃብቶም ከሰተ ብወገኑ \"ወ\/ሮ ኬርያ፣ ኢደን ድሕሪ ምሃበን ተኣሲረን ከምዝነበራ፣ ክሰን ተቋሪጹ ብዋሕስ ከምዝተፈትሓ፣ ሎሚ ግና ክእሰራ ድልየተን ምኳኑ ገሊጸን እየን\" ኢሉ። ኣብ ፌደራላዊ ቤት ፍርዲ ሎሚ ዝቀረባ ወ\/ሮ ኬርያ ኢብራሂም፣ ዝመጽእ ሶኑይ ናብ’ቲ ቤት ፍርዲ ንክምለሳ ከምዝተኣዘዛን፣ ክሳብ ሽዑ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ፖሊስ ንክጸንሓ ምውሳኑ ተሓቢሩ'ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%89%93%E1%89%A2-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8B%88-%E1%88%AE-%E1%8A%AC%E1%88%AD%E1%8B%AB-%E1%8A%A2%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%88%82%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%88%B2-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5906888.html"} {"headline":"ፕረ.ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ኣብ ጅቡቲ ምብጻሕ የካይዱ ኣለው","content":"ግብጺ ብሰንኪ ግድብ ዓብይ ህዳሴ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ምስሕሓብ አብ ትርከበሉ እዋን፣ ፕረዚደንት ዓብድልፈታሕ ኣል ሲሲ ምስ መዘነኦም ንምዝርራብን ኣፍሪቃዊ ኪዳን ንምሕያልን ጂቡቲ ኣትዮም። ሓደ መራሒ ግብጺ ኣብ ጂቡቲ ከምዚ ናይ ሎሚ መገሻ ዝፍጽም ዘሎ ንፈለማ ጊዜ እዩ። ናይ ግብጺ ፕረዚደንታዊ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ \"ኣብ’ዚ ታሪኻዊ መገሻ፣ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ምስ ፕረዚደንት እስማኢል ኦማር ጉለ፣ ክልተኣዊ ዝምድና ኣብ ወትሃደራዊን ቁጠባዊን ርክባት ዘማእከለ ልዝብ ክገብሩ እዮም\" ኢሉ ኣሎ። እዚ ናይ ሎሚ መገሻ ፕረዚደንት አል ሲሲ ኣብ ጂቡቲ ይፍጸም ዘሎ፣ ብሰንኪ’ቲ 4.6 ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ግድብ ህዳሴ፣ ግብጽን ሱዳንን ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ሓያል ውጥረት ኣብ ዝኣተዋሉ እዋን እዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%8C%BA-%E1%8B%93%E1%89%A5%E1%8B%B0%E1%88%8D%E1%8D%88%E1%89%B3%E1%88%95-%E1%8A%A3%E1%88%8D-%E1%88%B2%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%85%E1%89%A1%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8B%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8D\/5906854.html"} {"headline":"ንቅልውላው ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ዝተዋሃበ መግለጺ","content":"26 ግንቦት 2021 ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ይንህር ዘሎ ዘርኣዊ ህውከትን ይብርትዕ ዘሎ ከባብያውን ዘርኣዊን ምክፍፋልን ዓሚቅ ሻቅሎት ፈጢሩለይ ኣሎ። እቲ ኣብ ትግራይ ዚፍጸም ዘሎ ሰፊሕ ግፍዒ ኣንጻር ሰብኣዊ መሰላትን ተጋፊሑ ዘሎ ጾታዊ መጥቃዕቲን ተቐባልነት ዘይብሉን ደው ክብል ዘለዎን እዩ። ዝተፈላለየ ድሕረ-ባይታን መንነታዊ ውርሻን ዘለዎም ስድራቤታት፣ ኣብ ሃገሮም ሰላምን ድሕንነትን ረኺቦም ክነብሩ ይግባእ። ፖለቲካዊ ቁስሊ ብሓይሊ ኣጽዋር ክሓዊ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ክልል ትግራይ ዘለው ተጻባእቲ ሓይልታት ንውግእ ደው ከምዘበሉ ክእውጁን ክትግብርዎን ኣለዎም። ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ክወጹ ኣለዎም። ኢትዮጵያ ብሰንኪ እዚ ዝተናወሐ ውግእ፣ ካብ 80ታት ንነዘ ዘይረኣየቶ ፈላማይ ሓደጋ ጥሜት ከጋጥማ ከምዝኽእል ቢሮ ሰብኣዊ ጕዳያት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምጅማር’ዚ ሰሙን’ዚ ኣጠንቂቁ እዩ። ኩሎም ሓይልታት ብሕልፊ ካኣ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ጥሜት ምእንታን ከይጋፋሕ፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብቲ ክልል ብህጹጽን ብዘይ ዓንቀፍቀፍን ንክኣትዉ ከፍቅዱ አለዎም። መራሕትን ትካላትን ኢትዮጵያ፣ ዕርቂ፣ ሰብኣዊ መሰላትን ብዙሕነትን ክዓስል ንክሰርሑ ዩናይትድ ስቴትስ ተተባብዕ። ከምኡ ምግባር፣ ንሕብረትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ናይ’ታ ሃገር ዝዕቅብ፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓለዋ ምርካቡ ዘረጋግጽን ዘድልዮ ህጹጽ ሓገዝ ንክረብን ሓጋዚ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ፖለቲካ እጀታ ዘለዎምን ብሙልኦም ንኩሉ ሓቆፍ ልዝብ ተወፋይነት ከርእዩ ኣለዎም። ሓቢርካ ብምስራሕ፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ሓባራዊ ፖለቲካዊ መጻኢ ናይታ ሃገር ክሃንጹን መሰረት ነባሪን ምዕሩይን ቍጠባዊ ዕቤትን ብልጽግናን ከንብሩን ይኽእሉ እዮም። ዩናይትድ ስቴትስ፣ ኢትዮጵያ ነዞም ብድሆታት እዚኣቶም ንኽትዋጽኣሉ ኽትሕግዛ ቘሪጻ ኣላ። ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ንነዊሕ ዝጸንሐ ርክብ ብምህናጽ፣ ከምኡውን ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕቡራት ሃገራትን ዓለም ለኸ መዳርግትን ሓቢራ ክትነጥፍ እያ። ፍሉይ ልኡኽ ዩናይትድ ስቴትስ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍ ፈልትማን ኣብ’ቲ ዞባ ንዘሎን ዝተኣሳሰረን ግጭታት፣ ንጠለባት ኩሎም ወገናት ዘማልእ ፍታሕ ናይ’ቲ ዘሳሓሕብ ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ሓዊሱ፣ ሰላማዊ ፍታሕ ምእንታን ክረክብ ሓድሽ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ይመርሕ ኣሎ። ፍሉይ ልኡኽ ፈልትማን ዝቅጽል ሰሙን ናብ’ቲ ዞባ ከቅንዕን ተመሊሱ ብዛዕባ እቲ ዝበጽሖ ምዕባለ ክሕብረኒን እዩ። ዲፕሎማሲ ኣሜሪካ፣ ንክብሪታትና ዘንጸባርቕ እዩ። እዚ ንናጽነት ምክልኻል፣ ምርግጋጽ ኣድማሳዊ መሰላት፣ ልዕልና ሕጊ ምኽባርን ንኩሉ ሰብ ብኽብሪ ምሓዝን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/statement-by-president-joe-biden-ethiopia-crisis-tigray-eritrean-troops-amahara-forces-humanitarian-hunger-in-tigray\/5906502.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ሚኒስትር ጥዕና ኤርትራ ወ\/ሮ ኣምና ኑርሑሴን","content":"መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምክልኻል ኮቪድ 19 ብዝወሰዶ ዕቱብ ስጉምታት፡ ዝርግሐ`ቲ ለበዳ ኣብ ምጉዳል ክዕወት ከምዝኸኣለ ሚኒስትር ጥዕና ኤርትራ ኣምና ኑርሑሰን ኣፍሊጣ። ወ\/ሮ ኣምና ኣብ ኣስመራ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መጠይቕ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ክታበታት ኮቪድ19 መጽናዕቲ ኣካይዱ ምስ ወድአ ነቶም ዝበለጹ ክታበታት ከም ዝመርጽ ኣፍሊጣ`ላ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ካልኣይ ክፋል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AD-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%88-%E1%88%AE-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%8A%93-%E1%8A%91%E1%88%AD%E1%88%91%E1%88%B4%E1%8A%95\/5905485.html"} {"headline":"ግብረ መልሲ ኤርትራ ንእገዳ ቪዛ ኣሜሪካ","content":"ኤርትራ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ዝወጸ ናይ ቪዛ እገዳ ከምዘሕዘና ኣፍሊጣ። እቲ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዝተዋህበ ግብረ-መልሲ፡ ነቲ ምስ ኩነታት ክልል ትግራይ ብዝተሓሓዝ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣvሪካ ዝወጸ ኣብ ልዕሊ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ናይ ቪዛ እገዳ ዘንብር መግለጺ ዝምልከት ኮይኑ፡ ቋንቋን ትሕዝትኡን ዘሕዝን ክብል ገሊጽዎ`ሎ። እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጥረ ቅልውላው ተሓታቲ እቲ ሕጂ ካብ ጠቕሚ ወጻኢ ኮይኑ ዘሎ ህወሓት ኣብ ወርሒ ሕዳር 3,2020 ዘበገሶ ሓደገኛ ወተሃደራዊ ዕንደራ`ዩ ኢሉ። ህወሓት ዘበገሶ ወተሃደራዊ ውዲት ናብ ኢትዮጵያ ጥራይ ዝተሓጽረ ዘይኮነስ- እንተላይ ንኤርትራ`ውን ዕላማ ዝገበረ ኔሩ ዝበለ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ- እቲ ሓሲብዎ ዝነበረ ውዲት እንተዝዕወት ኣብ ኢትዮጵያ:ኤርትራን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘስዕቦ ሓደጋ ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን ኢሉ። እቲ መግለጺ ወሲኹ እቲ ሓቂ እዚ ኮይኑ እናሃለወ ናብ ኤርትራ ኣጻብዕ ምቕሳር ግን ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ምኽንዩን ቅብሉን ኣይኮነን ይብል ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ፡ እቲ ብኣሜሪካ ዝወጸ እገዳ ቪዛ፡ እንታይ ጽልዋ ይህልዎ ብዘየገድስ፡ እቲ መግለጺ ንባዕሉ ግን ሕጋውነት ኮነ ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ዘምጽእ ኣይኮነን ኢሉ`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%8C%88%E1%8B%B3-%E1%89%AA%E1%8B%9B-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB\/5905477.html"} {"headline":"ብድምጺ ወያነ ዝተመሓላለፈ መግለጺ ህውሓት ንእገዳ ቪዛ ኣሜሪካ","content":"ህዝባዊ ወያነ ሐርነት ትግራይ ከምቲ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ብወረርቲ እናተጠቕዐ ስለዝኾነ ምስ ጨፍጨፍቲ ማዕረ ክምደብ ዝኽእለሉ ምኽንያት ፍጹም የለን ክብል ድምጺ ወያነ ብዝብሃል ናይቲ ውድብ ልሳን ዝተመሓላለፈ መግለጺ ህወሓት ነቲ ብኣሜሪካ ዝወጸ ናይ ቪዛ እገዳ ምላሽ ሂቡ። ኣስዒቡ፡ ቅድሚ ኩሉ ምምሕዳር ጆ ባይደን ኤስ ኣር 97​ ብዝብል 'ውልቀ መላኺ' ኣብ ዝበሎ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን 'ፋሺሽት' ኣብ ዝበሎ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድን ጭቡጥ ዝኾነ ናይ ቁጠባውን ዲፕሎማሲያውን ስጉምቲ ማዕቀብ ክወስድ ብምጅማሩ ህወሓት ኣድናቖቱ ይገልጽ ይብል። እቲ መግለጺ ህወሓት ተባሂሉ ብድምጺ ወያነ ዝተመሓላለፈ መግለጺ \"ይኹን`ምበር ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ብዛዕባ ምኽልካል ቪዛ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ንኣባላት ህ​ወሓት`ውን ይምልከት`ዩ ምባሉ፡ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ህዝቢን ሕጋዊ ኣካልን ዝፈጸሞ በደል የለን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንሱ ንባዕሉ ከም ህዝቢ ትግራይ ተጠቃዓይን ናይ ወራር ግዳይን ምዃኑ ምምሕዳር ባይደን ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ፈተውቲ ህዝቢ ትግራይ ደገፍትን ክፈልጥዎ ይግባእ\" ይብል ። ስጉምቲ ኣሜሪካ ዳግም ክፍተሽ ንጽውዕ ዝብል መጸዋዕታ`ውን ኣቕሪቡ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BA-%E1%8B%88%E1%8B%AB%E1%8A%90-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%93%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8D%88-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%8C%88%E1%8B%B3-%E1%89%AA%E1%8B%9B-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB\/5905468.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ከቢድ ሓደጋ ጥምየት ከጋጥም ከምዝኽእል ሰበ ስልጣን ሕ\/ሃ ኣጠንቂቖም","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ቅልጡፍ ስጉምቲ እንተዘይተወሲዱ ሓደጋ ጥምየት ከጋጥም ከምዝኽእል ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሰሉስ ንባይቶ ፀጥታ ኣጠንቂቑ ። ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምኽትል ሰብኣዊ ጉዳያትን ቀንዲ ኣተሓባበሪ ሓገዝ ቅልጡፍ እዋን ማርክ ሎውክ ኣብ መግለጺኡ \"አብዝመፅእ ክልተ ኣዋርሕ ቅልጡፍ ሓገዝ ረዲኤት እንተዘይተባፂሑ ከቢድ ሓደጋ ጥምየት ከጋጥም እዩ \" ኢሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A8%E1%89%A2%E1%8B%B5-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B-%E1%8C%A5%E1%88%9D%E1%8B%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%8C%8B%E1%8C%A5%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%BD%E1%8A%A5%E1%88%8D-%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%8C%A0%E1%8A%95%E1%89%82%E1%89%96%E1%88%9D\/5905450.html"} {"headline":"'ጾመ ትግራይ' ዝብል መርሃግብሪ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ትግራይ ይካየድ ኣሎ","content":"'ፆመ ትግራይ' ብዝብል ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትግራይ ናይ ፆምን ፀሎትን መርሃግብሪ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ይካየድ ኣሎ:: በዚ መሰረት ድማ ትካላት ንግድን ኣገልግሎት መጓዓዝያ ኣብ ብዙሓት ከተማታት የለን ዘይምህላው ተሓቢሩ'ሎ:: ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ዝተፈላለዩ ከተማታት \"ኣብ ልዕሊ ትግራይ ይበፅሕ ዘሎ መከራ ጠጠው ክብልን ሰላም ንክሰፍንን ኢና ንፀውም ዘለና\" ኢሎም:: ኣብ ጉዳይ ምዕፃው ትካላትን ምቁራፅ ኣገልግሎት መጓዓዝያን ኣመልኪቱ ርእይቶ ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%BE%E1%88%98-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%88%83%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%AA-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%88%8E\/5905408.html"} {"headline":"መግለጺ ዓረናን ሳልሳይ ወያነን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ክልል ትግራይ","content":"ሳልሳይ ወያነ ትግራይ: ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ከምዝገምገመ ገሊፁ:: እቲ ውድብ ኣብ ኢትዮጵያ ልሕሉሕ ፌደሬሽን ብምጥቃም ረብሓ ትግራይ ንክረጋገፅ ይቃለስ ከምዝነበረን ድሕሪ ሐዚ ግና እቲ ረብሓ ኣብ ነፃ ሃገረ ትግራይ እዩ ዝረጋገፅ ኢሉ ከምዘኣምን ሓቢሩ:: ውድብ ዓረና እውን ኣብ እዋናዊ ጉዳይ እቲ ክልል ጠሚቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ: ኣብቲ ክልል ዘሎ ኩናት ጠጠው ብምባል: ብዘተ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ይግባእ ኢሉ:: ኣብቲ ጉዳይ ካብ ሰብመዚ እቲ ክልልን ፌደራልን ምላሽ ንምርካብ ብተደጋጋሚ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይሰለጠን​ :: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%8A%93%E1%8A%95-%E1%88%B3%E1%88%8D%E1%88%B3%E1%8B%AD-%E1%8B%88%E1%8B%AB%E1%8A%90%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/5905421.html"} {"headline":"ኣሜሪካ:33 መካይንን 3.5 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ሕክምናዊ ንዋት ንቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ምልጋሳ ተሓቢሩ","content":"ኣሜሪካ 3.5 ሚልየን ዶላር ዝግመት 33 መካይንን ብርክት ዝበለ ሕክምናዊ ንዋትን ዝሓለፈ ሓሙስ ንቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ከምዝለገሰት ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ። እዚ ኣካል'ቲ ብዩኤስ ኤ ኣይዲ ንሰራሕተኛታት ጥዕና ንምሕጋዝ ዝገብሮ ሰፊሕ ድጋፍ ምዃኑ'ውን ጠቒሱ'ሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ዩኤስ ኣይ ዲ ሾን ጆንስ ኣሜሪካ ነቶም ብቅልውላው ትግራይ ዝተጎድኡ ኢትዮጵያውያን ንምሕጋዝ ዘለዋ ቅሩብነት ክትቅጽሎ'ያ ኢሉ'ሎ ። ግጭት ትግራይ ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ኣሜሪካ​ ንህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል ኣስታት 310 ሚልየን ዶላር ከምዝለገሰት'ውን ተጠቒሱ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-33-%E1%88%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95%E1%8A%95-3-5-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8B%B6%E1%88%8B%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%8C%8D%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%8A%95%E1%8B%8B%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%89%A2%E1%88%AE-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8C%8B%E1%88%B3-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5905442.html"} {"headline":"US ንዘንበረቶ እገዳ ግብረ መልሲ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን","content":"ዩናይትድ ስቴትስ ንሰበ ስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበሩን ዘልውን ሰባትን ስድራኦምን፣ ናብ ዩናይትድ ስቴትስ ዘእቱ ቪዛ ንከይረኽቡ ከምዝወሰነት ምግላጽና ዝዝከር እዩ። ሚኒስትር ወጻኢ ዩናይትድ ስቴትስ ኣንተንይ ብለንክን ቅድሚ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ‘ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ግፍዒ ከምዝተፈጸመ፣ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ህዝቢ ንከይሓልፍ ዕንቅፋት የጋጥሞ ከምዘሎን እዚ ጸገም’ዚ እንተቀጺሉ ጥምየት ከጋጥም ከምዝኽእል’ ገሊጾም። መግለጺ ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ‘እቶም ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቀሱ ጕጅለታት ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪታት ዋላ’ውን እንተተገብረ፣ ውግእ ደው ከብሉ ወይ ፖለቲካዊ ቕልውላው ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ ትርጕም ዘለዎ ስጕምቲ ክወስዱ ኣይካኣሉን፣ መንግስቲ ኤርትራዊ ብወገኑ፣ ነቲ ዝኣተዎ ቃል ከማልእን፣ ንሰራዊቱ ናብቲ ዝፍለጥ ዓለምለኻዊ ክልል ኤርትራ ንኺመልሶምን ጻውዒት ነቅርብ ኣለና’ ከምዝበሉ’ውን ዝዝከር እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ክሳብ’ዚ ሪፖርት’ዚ ዝቀረበሉ ጊዜ ዝሃቦ ወግዓዊ መልሲ የለን። ምስ ረኸብና ክነስመዐኩም ኢና። ንሎሚ ግብረ መልሲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ክነቅርበልኩም። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/tplf-ethiopia-us-state-department-sanction-visa-eritrea-tigray-conflict-attrocities\/5904222.html"} {"headline":"ኤርትራ መበል 30 ዓመት ናጽነታ ብዝተፈላለዩ ስነ-ጥበባዊ ምድላዋት  ብድምቀት ጸምቢላ","content":"ኤርትራ መበል 30 ዓመት ናጽነታ ሰኑይ 24 ግንቦት ብዝተፈላለዩ ስነ--ጥበባዊ ምድላዋት ብድምቀት ጸምቢላ:: ብደረጃ ሃገር ኣብ ኣስመራ ስታድዮም ኣብ ዝተኻየደ ወግዓዊ ጽምብል መደረ ዘስምዐ ፕረዚደንት ኢስይያስ ኣፈወርቂ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ሓያላት ሃገራት ብምስምስ ግጭት ዶብ ንኤርትራ ኣብ ኩናት ብምእታው ጅሆ ብምሓዝ ንምቁጽጻራ ዝተኻየደ ሽርሕን ተጻብኦታትን ብጽንዓትን ጅግንነት መኪታ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከምትርከብ ተዛሪቡ። \"ቅድሚ ሕጂ ዝትኻየዱ ፈተነታትን ሽርሕታትን ብምምካኑ ንዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነዝሐ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ፡ መርኣያ ናይ’ቲ ቅሉዕ ሸፈጥን ጥፍሽናን ‘ዩ ክብል ገሊጹ።ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ንመዓልቲ ናጽነት ብዝተፈላለዩ መስናዶታት ጸምቢሎማ’ዮም።\" ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%98%E1%89%A0%E1%88%8D-30-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%8C%BD%E1%8A%90%E1%89%B3-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8D%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%8C%A5%E1%89%A0%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%8B%E1%8B%8B%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%89%80%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%88%9D%E1%89%A2%E1%88%8B\/5903896.html"} {"headline":"ወታሃደራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ መዓስከር ስደተኛታት ሽረ እንዳስላሴ ኣስታት 500 መንእሰያት ኣሲሮም ምውሳዶም ሮይተርስ ሓቢሩ","content":"ወታሃደራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሶኑይ ለይቲ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ካብ ዝርከቡ ኣርባዕተ መዕቖቢ ስደተኛታት ንልዕሊ 500 መናእሰይ ደቂ ተባዕቲዮን ደቂ ኣንስትዮን ብሓይሊ ኣሲሮም ከምዝወሰዱዎም ሰለስተ ሰራሕተኛታት ረድኤትን ሓደ ሓኪምን ንሮይተርስ ገሊፆም። ብመሰረት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዝጠቐሱ ሰራሕተኛታት ረድኤትን ሓኪምን እቶም ወታሃደራት ለይቲ ስዓት 11 ወይ ምሸት ስዓት ሓሙሽተ ብናይ ኢትዮጵያ ስዓት ኣቆፃፅራ ብናይ ፅዕነት መካይን ወሲዶምዎም ኣለው ።ሓደ ሰራሕተኛ ረድኤት ብዙሓት ሰባት ተቐጥቂጦም፣ስልኮምን ገንዘቦምን ተመንጢሎም እዮም ኢሉ ። ኣብቲ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ዝነብር ሓደ ከምዝበሎ ወታሃደራት ንናይቲ ካምፕ በሪ ሰይሮም ብምእታው ንኩሎም ደቂ ተባዕቲዮ ከቢቦም ብበትሪ ከምዝቐጥቀጡዎም ሓቢሩ።ንሓደ ወዲ 70 ከምዝቐጥቀጡን ንኣይነ ስውር ከምዝጨወዩን እቲ ናይ ዓይኒ ምስክር ሓቢሩ። ናይ ኢትዮጵያ ወታሃደራዊ ወሃቢ ቃልን ሰበስልጣን ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ንመልእኽቲ ሮይተርስ ኣይመለሱን። ጊዝያዊ ኣማሓዳሪ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ቴድሮስ ኣረጋይ ብዙሕ ዝርዝር ሓበሬታ ተዘይሃለዎም እውን ኣማእቲ ሰባት ተታሒዞም ከምዝተወሰዱ ግን ኣረጋጊፆም። ሚኒስትር ሓበሬታ ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል \"ንናይ ውሽጢ ተመዛበልቲ’’ ከቢብካ ዘእስር ምኽኒያት የለን እዚ ናይ ህወሓት ፕሮፓጋንዳ እዩ ክብሉ ገሊፆምዎ። ብመሰረት ፀብፃብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ምውህሃድ ጉዳያት ሰብኣዊ ረድኤት እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣሽሓት ሰባት ተቐቲሎም፣ክልተ ሚሊዮን ሰባት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ካብ ኣስታት ሽዱሽተ ሚሊዮን ህዝቢ ትግራይ 91 ሚእታዊት ተፀባይ ረድኤት ኮይኑ ኣሎ ። ሎሚ ሰሉስ ንጉሆ ዓሰርተታት ስድራ ናይቶም ተኣሲሮም ዝተወስዱ ኣብ ከተማ ሽረ ኣብ ፊት ንፊት ኣብያተ ፅሕፈት ወኪል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ናይ ተቓውሞ ድምፆም ኣስሚዖም ኣለው። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%B5%E1%8A%A8%E1%88%AD-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%BD%E1%88%A8-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%8B%B3%E1%88%B5%E1%88%8B%E1%88%B4-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-500-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%B2%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8B%B6%E1%88%9D-%E1%88%AE%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%88%B5-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5904065.html"} {"headline":"ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ ዕጡቓት ሱዳን መጥቓዕቲ ምፍጻሞም ነበርቲ ገሊጾም","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ወረዳ መተማ ጣቢያ ቱመት መንዱካ ካብ ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ጀሚሩ ዕጡቓት ሱዳን ብዝተወደበ መልክዑ መጥቓዕቲ ይፍፅሙ ኣለው ክብሉ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ሓቢሮም። ነባሪ እቲ ከባቢ ኣቶ እያየ ፈቃደ ዕጡቓት ሱዳን ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ንዶብ ጥሒሶም ብምእታው ቱመት መርጥርሃር ንዝተባህለ ናይ ኢንቨስትመንት ቦታ ብምእታው ናይ ሰለስተ ሰብሃብቲ ንብረት ዘሪፎምን ኣቃፂሎምዎን ከይዶም ኢሎም ። ኣቶ እያየ ወሲኾም ሎሚ ንጉሆ እውን ቶኽሲ ከፊቶም ኢሎም ኣለው ። ርእይቶ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን። ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎሚ ሶሉስ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ብዛዕባ'ዚ ዝቐረበሎም ሕቶ ሓበሬታ ከምዘይብሎም ገሊፆም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%B6%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%8C%BB%E1%88%9E%E1%88%9D-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/5903996.html"} {"headline":"ባልደርስ ንሓቀኛ ዲሞክራሲ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ አባላቱ ንምርጫ ክወዳደሩ ዘቕረቦ መጎተ ምዕዋቱ ተገሊጹ","content":"ባልደራስ ሓቀኛ ንዴሞክራሲ ፓርቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣርባዕተ ኣባላት መሪሕነቱን ንምርጫ ክወዳደሩ ብሕፀ ንምምዝጋብ ዘቕረቦም መጎተ ምዕዋቱ ተሓቢሩ። ናይቲ ፓርቲ መራሒ እስክንድር ነጋ ሓዊሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ሕፁያት ንምርጫ ንምምዝጋብ ከምዘይክኣል ቦርድ ምርጫ ዝወሰኖ ውሳነ ብምቅዋም እቲ ፓርቲ ነቲ ጉዳይ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ወሲዱዎ ከምዝነበረን ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ ክምዝገቡ ኣይኽእሉን ክብል ብኣፈላላይ ውሳነ ኣሒሊፉ ነይሩ። እቲ ፓርቲ ነቲ ጉዳይ ናብ ላዕለዋይ ሰማዒ ይግባይ ብምውሳድ ኣባላቱ ኣብቲ ምርጫ ክወዳደሩ ይኽእሉ እዮም ክብል ምውሳኑ ተገሊጹ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A3%E1%88%8D%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%88%B5-%E1%8A%95%E1%88%93%E1%89%80%E1%8A%9B-%E1%8B%B2%E1%88%9E%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B1-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%AD%E1%8B%88%E1%8B%B3%E1%8B%B0%E1%88%A9-%E1%8B%98%E1%89%95%E1%88%A8%E1%89%A6-%E1%88%98%E1%8C%8E%E1%89%B0-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%8B%8B%E1%89%B1-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5903977.html"} {"headline":"'ኣሜሪካ ዘሕለፈቶ ውሳነ ምኽልካል ቪዛ ንምሕዝነት ክልቲኤን ሃገራት ኣዝዩ ዝጎድእ`ዩ' ሚ\/ጉ\/ወጻኢ ኢትዮጵያ","content":"ኣሜሪካ ዘሕለፈቶ ውሳነ ምኽልካል ቪዛ ንምሕዝነት ክልቲኤን ሃገራት ኣዝዩ ዝጎድእ`ዩ ክብል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዲና ሙፍቲ ምምሕዳር ኣሜሪካ ናብቲ ውሳነ ከብጽሖ ዝኽእል እኹል ምኽንያት የብሉን ኢሉ:: \"ምስ ኣሜሪካ ዘለና ምሕዝነት ክበላሾ ኣይንደልን ኢና\" ዝበለ እቲ ወሃቢ-ቓል፡ ምምሕዳር ኣሜሪካ ንውሳነኡ ደጊሙ ክምርምር ናይ ሃገሩ ድልየት ምዃኑ ኣፍሊጡ`ሎ። ውሳነ ምምሕዳር ኣሜሪካ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሓ ናይ ክልቲአን ሃገራት ድልዱል ምሕዝነት ኣብ ግምት ዘየእተወ`ዩ ዝበለ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ- ታሪኻዊ ምሕዝነትና እንተተበላሽዩ እትጉዳእ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነትስ እቲ ዞባ ኣፍሪቃ: ኣሜሪካ `ውን ትጉዳእ`ያ ኢሉ ። እቲ ወሃቢ ቃል“ስለዚ ናይ መገሻ ኾነ ካልኦት ክልከላታት ንኣሜሪካ `ውን ኣይጠቕሞምን`ዩ። ብኣና ወገን ዝብሃል ዘሎ፡ እዚ ጌርኩሞ ዘለኹም ተቐባልነት የብሉን- ንዕኡ ዘብቅዕ ምኽንያት`ውን የብልኩምን ዝብል`ዩ\" ይብል ። መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ምምሕዳር ኣሜሪካ ነቲ ናይ መገሻ እገዳ ዘንበሮ ምስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ብዝተሓሓዝ`ዩ። ዲፕሎማሲያ ጻዕርታት እንተተገብሩ`ውን ብፍላይ ኣብ`ቲ ግጭት ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ንዕኡ ደው ከብሉን ንፖለቲካዊ ቅልውላው ድማ ሰለማዊ ፍታሕ ንምድላይ ትርጉም ዘለዎ ስጉምቲ ዘይምውጉዋሞም ይገልጽ ። ወሃቢ ቓል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ግን ብፍላይ ብመንጽር ምብጻሕ ረድኤትን ተሓታትነት ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላትን ዝተፈላለዩ ስርሓት ከምዝተሰርሑ ይገልጽ፡ “ምስ ኣሜሪካ ጥራይ ዘይኮነስ ምስቲ ዝተረፈ ዓለም-ለኸ ማሕበረሰብ`ውን ክሳብ ቀረባ ግዜ ከማጉትና ካብ ዝጸንሑ ጉዳያት ሓደ መስመራት ረድኤት ምኽፋት`ዩ። እዚ ድማ ድሮ ተፈቒዱ`ዩ። ስለዝተፈቕደ`ዩ ድማ ብርክት ዝበሉ ትካላት ረድኤት ሎሚ ኣብቲ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ዝርከቡ ዘለዉ። ዓለም-ለኸ ትካላት ረድኤት ጥራይ ዘይኮኑስ ኣህጉራውያን ትካላት ሚድያ`ውን ኣብ ክልል ትግራይ ኣለዉ። ዝተኸፍተ ነገር ኣይተኸፍተን ፡ ኣብኡ የለናን ዝብሃል ነገር ፍጹም ጌጋ `ዩ። መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ድማ ክፍጸሙ ይኽእሉ`ዮም- ምኽንያቱ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ዝተኻየደሉ ከባቢ ስለዝኾነ ነቲ ጥሕሰት`ውን ብሓባር ኮይና ነጻሪ ዝብል ተሰማሚዕና`ውን ድሮ ይጻረ`ዩ ዘሎ። እዚ እናተግበረ ግን ስለምንታይ ኢኹም ትኽሕድዎ ዝብል`ዩ ሕቶና\" ኢሉ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ። ኣተሓሒዙ ኣብ ትግራይ ሳልሳይ ዙርያ ምሃብ ረድኤት ተበጺሑ`ሎ- እዋን ዘራእቲ ስለዝኾነ`ውን ንሓረስቶት ዘርእን ካልእን ኣብ ምዕዳል መንግስቲ ልዑል ባጀት ሰሊዑ ኣብ ምንቅስቓስ`ዩ ዝርከብ ዘሎ ኢሉ። ምምሕዳር ኣሜሪካ ኣብ መሬት ዘሎ ክውንነት እንታይ ምዃኑ ኣይፈልጥን`ዩ ምባል ከምዘይክኣል`ውን እዩ ዝበለ ኣምባሳደር ዲና:“ሕጽረት መረዳእታ ስለዘለዎም ኣይኮኑን፡ ሓበረታ ሰለዘይብሎም ኣይኮኑን። ሓደ ሓደ ኮነ ኢልካ ዝግበር ዝተፈብረኸ `ዩ። ናይ ረብሓ ጉዳይ`ዩ- ምናልባት`ውን ናይ ፖሊሲ ናጽነት ምንፋግ ክኸውን ይኽእል`ዩ\" ኢሉ:: ወሃቢ ቓል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ምሕዝነት ክልቲኤን ሃገራት በቲ ዘለዎ ደረጃ ናይ ምቕጻል ጉዳይ ግን ኣብቂዑ`ዩ ኢሉ ከምዘይኣምን ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ጠቒሱ`ሎ። ልቦና ገዚኦም ንውሳንኦም ይገምግሙ ዝብል መልእኽቲ ጥራይ ኢና ክነሕልፍ ንደሊ ድሕሪ ምባል ነገር ግን ቀይሕ መስመር ኣሎ- ንሱ ድማ ናጽነትን ሉዕላውነትን ኢትዮጵያ ብገንዘብ ብኣይ ኤም ኤፍ ብባንኪ ዓለም ወይ ብኻልእ ዝቕየር ኣይኮነን- መንግስቲ እንተቐየረ`ውን ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣይፈቅድን`ዩ ኢሉ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8B%98%E1%88%95%E1%88%88%E1%8D%88%E1%89%B6-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%8D%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%89%AA%E1%8B%9B-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B2%E1%8A%A4%E1%8A%95-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%9D%E1%8B%A9-%E1%8B%9D%E1%8C%8E%E1%8B%B5%E1%8A%A5-%E1%8B%A9-%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-\/5903876.html"} {"headline":"ዓቓብ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ቅትለት ሰላማዊያን ሰባት ተሳቲፎም ኣብ ልዕሊ ዝበሎም 28 ወታሃደራት ክሲ ምምስራቱ ኣፍሊጡ","content":"ወታሃደራዊ ዓቃቢ ሕጊ ንደቂ ኣንስትዮ ይዕምፁ ነይሮም ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ሰለስተ ወተሃደራት ገበነኛታት ክብል ከሎ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ጎንፂ ስዒቡ ኣብ ቅትለት ሰላማውያን ሰባት ተሳቲፎም ንዝበሎም 28 ተጠርጠርቲ ወተሃደራት ክሲ ምምስራቱ ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ገሊፁ ። እቲ ቤት ፅሕፈት ወሲኹ ምስ ምዕማፅ ደቂ ኣንስትዮን ካልኦት ፆታዊ መጥቓዕትታትን ተኣሳሲሩ ዝተጠርጠሩ 25 ተወሰኽቲ ወተሃደራት'ውን ክሲ ምምስራቱ ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ ። እቲ ካብ ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ዝወፀ መግለፂ ከምዘረጋገፆ ኣብቲ ኽልል ክልተ ጨፍጫፋት'ውን ምፍፃሞም ሓቢሩ እዩ ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ንኒውዮርክ ታይምስ ዝሰርሕ ዝነበረ ጋዜጠኛ ሲሞን ማርክስ ዘይሚዛናዊ ፀብፃብ ሰሪሕካ ብዝብል ፍቃድ ስርሑ ተሓዲጉ ድሕሪ ምፅንሑ ጠቅሊሉ ካብ ኢትዮጵያ ምብራሩ ሓደ ብዓል ስልጣን መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣረጋጊፆም ። ኣብ ኢትዮጵያ ክነብር ዝፀንሐ ጋዜጠኛ ሲሞን ማርክስ ካብታ ሃገር ምብራሩ ሪፖርተራት ዶብ ኣልቦ ኮኒኖሞ እዮም ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፁ ጋዜጠኛ ወፃኢ ከባርሩ ንፈለማ እዋን እዋን ምዃኑ'ውን ተሓቢሩ'ሎ ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%89%93%E1%89%A5-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%85%E1%89%B5%E1%88%88%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%88%B3%E1%89%B2%E1%8D%8E%E1%88%9D-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%B2-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%89%B1-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5902542.html"} {"headline":"'ሓረስታይ ትግራይ ንብረቱ ዓንዩ፣ኣውዕሩ ተሓሪዶምን ተዘሪፎምን ኣብ ዘሕዝን ኩነታት ወዲቑ ኣሎ' ሓላፊ ቢሮ ሓርሻ ክልል ትግራይ","content":"እዋኑ ናይ ክራምት እዋን ሓረስታይ መሬቱ ዝሓርሰሉን ዝዘርኣሉን እዩ።ትግራይ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ኣብ ዘላትሉ እዋን ሓረስታይን ሕርሻን ትግራይ ኣብ ዘሕዝን ኩነታት ይርከብ ኢሎም ኣብ ግዚያዊ ምምሓድር ክልል ትግራይ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ዶክተር ኣባዲ ግርማይ። ሓረስታይ ትግራይ ወራር ኣንበጣ ኣሕሊፉ ፍሪያቱ ከይኣከበ ኵናት ተወሊዑ ምህርቱ ተዘሪፉን ተቓፂሉን ካብ መረበቱ ተመዛቢሉን ፈቖዶ ተበቲኑን ኣዚዩ ኣብዘሕዝን ኩነታት ይርከብ ኣሎ ኢሎም። ሓረስታይ ትግራይ ብወታደራት ኤርትራ ኮላይ ናይ ሕርሻ ናውቱን ጥሪቱን ሓዊሱ ንብረቱ ዓንዩ፣እንስሳታቱ ፍርቀን ተቓፂለን፣ተዘሪፈንን ፍርቀን ድማ ተሓሪደንን እየ ዝበሉ ዶክተር ኣባዲ ኣብ ሳምረ ፍረታት ተኽሊ ሓረስቶት ምስተበልዑ ከምዝተጨፍጨፉ ሓቢሮም። ኣብ ቀረባ ግዜ ድማ ሓረስቶት ብወታደራት ኤርትራ ግራውቶም ከይሓርሱ ከምዝተኸልከሉ ገሊፆም። ኣርዑት፣ነዊት፣ማሕረሻ ተቓፂሉ ተወሲዱ እቲ ገባር ጥራሕ ኢዱ ተሪፉ ኣሎ እውን ኢሎም።ስለዝኾነ ድማ ዳያስፖራ ተወለድቲ ትግራይን ካልኦት ክሕግዙ ፀዊዖም ኣለው ዶክተር ኣባዲ። ብዛዕባ ሕርሻ ንምዝራብ ዘርእን ሕርሻን ክገጣጠሙ ኣለዎ ዝበሉ እቶም ሓላፊ ቢሮኦም ዘርእን ዘመናዊ ዱኽዕን ንምቕራብ እናተንቀሳቐሰ ከምዝርከብን ናብትግራይ ንምእታዊ ካብዝተትሓዘ 800,000 ኵንታል ዱኽዒ ዛጊድ ኣስታት 220,000 ናብ ትግራይ ኣትዩ ኣሎ እቲ ዝተረፈ ንምእታው እናተንቀሳቐስና ኢናኢሎም። ዝተወሰና ናይ ምዝራእን ምሕራስን ምንቅስቓሳት ከምዘሎ እውን ገሊፆም ኣለው። ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ 3,750 ኵንታል ዘርኢ ንትግራይ ለጊሱ ኣብ ቆቦ ንዘይምሕላፍ ፈተነ ተገይሩ ድሕሪ ቓልሲ ከምዝተሰደደን ብድሕሪኡ ግን ዘጋጠመ ፀገም ከምዘየልን ሓቢሮም። ብዛዕባ ኤርትራዊያን ወታደራት ይፍፅምዎ ኣለው ዝተብሃለ ኽልከላ ሪኢቶ ንምርካብ ኒው ዮርክ ናብ ዝርከብ ቆንስላ ኤርትራ ናብ ኣቶ ኣማኑኤል ጆርጂዮ ስልኪ ደዊልና መልሲ ኣይረኸብናን።ቅድሚ ሎሚ ግን መንግስቲ ኤርትራ ብሓይልታት ኤርትራ ተፈፂሞም ንዝብሃሉ ኩሎም ክስታት ኣሉታ ክህበሉ ጸኒሑ እዩ። ተመራማራይ ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ኩነታት ኣየርን ሓበሬታ መሬትን ዶክተር ኣባዲ ግርማይ ቅድም ክብል ኣብ ኢንስቲቱት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ብምርምር ዝሰርሑ ዝነበሩ\\nኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ብፌደራል መንግስቲ ናይ ዝተሸመ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ብምዃን ኣብ ምስራሕ ይርከቡ። ዝርዝሩ ብምድፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/farmers-in-tigray-are-in-dire-situations-said-head-of-agriculture-bureau-of-tigray-region\/5902464.html"} {"headline":"መበል 30 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት'ታ ሃገር ምኽባሩ ተገሊጹ","content":"መበል 30 ዓመት ናጽነት ሃገረ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታትን ብድምቀት ከምዝተኸበረ ተፈሊጡ። ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገ\/መስቀል ኣብ ዝፈነውዎ መልእኽቲ ትዊተር አብቲ ትማሊ ኣብ ከተማ ከረን ዝነበረ ስነ ስርዓት፣ ኣማሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓብደላ ሙሳ መደረ ምስምዖም ሓቢሮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%A0%E1%88%8D-30-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%8C%BD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A8-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%89%A3%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5902448.html"} {"headline":"ግብረ መልሲ ሚ\/ጉ\/ወ ኢትዮጵያ ንመግለጺ ሚ\/ጉ\/ወ ኣሜሪካ","content":"ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ንመግለጺ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ግብረ መልሲ ሂቡ። ብመሰረት'ቲ መግለጺ \"መግለጺ ኣሜሪካ ዝወጸሉ እዋን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ምምሕዳር ኣሜሪካ ኣብ ሓባራዊ ስግኣታት ኣዎንታዊን ሃናጺን ጽምዶ ኣብ ዝገብረሉ እዋን፣ ንፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ጄፍርይ ፈልትማን ተቀቢላ ድሕሪ ምትእንጋዳ እዩ\" ይብል። ብዘይካ'ዚ፣ ኢትዮጵያ ንመበል ሻድሻይ ዙር ሃገራዊ ምርጫ ንምትእንጋድ ኣብ ትቀራረበሉ ጊዜ ስለዝኾነ ግጉይ መልእኽቲ ዘማሓላልፍ እዩ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ድጋፍ’ምበር ከምዚ ዝዓይነቱ ስጉምቲ ኣይተጸበየን ነይሩ ይብል። እቲ መግለጺ ወሲኹ \"መንግስቲ ኢትዮጵያ ደጋጊሙ ከምዝገለጾ፣ ምምሕዳር ኣሜሪካ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ጣልቃ ምእታው ዘይቅኑዕ ጥራሕ ዘይኮነስ ተቀባልነት ዘይብሉ’ዩ\" ኢሉ። እቲ ዝያዳ ዘሕዝን ድማ ይብል መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ \"ምምሕዳር ኣሜሪካ፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ምስ’ቲ ፓርላማ ኢትዮጵያ ጉጅለ ግብረ ሽበራ ኢሉ ዝገልጾ ህወሓት ብማዕሪ ንክሪኢ ምፍታኑ’ዩ’፣ ምምሕዳር ኣሜሪካ ዝስዕቦ ኣንፈት ጌጋ ንምኳኑ ካብ’ዚ ንላዕሊ መርአዪ የለን።\" ብመንጽር ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጸሙ መግሃስቲ መሰላት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝኣተዎም መብጽዓታት ይፍጽም ኣሎ፣ ፈጸምቲ ግፍዒ ናብ ፍርዲ የቅርቦም ኣሎ። ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ብዝምልከት፣ እቲ ጸገም ናይ ምትዕንቃፍ ረድኤት ዘይኮነ ድሩትነት ዓቅሚን ጸጋን እዩ ኢሉ። አብ ውሽጣዊ ጉዳያት ጣልቃ ምእታው መፍትሒ እንተዘይተገይርሉ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ምስ ኣሜሪካ ዝጸንሖ ጽምዶ ዳግም ክግምግምን ጽልውኡ ካብ ክልተኣዊ ርክባት ዝሓላፈ ክኾን ከምዝኽእልን’ውን ጠቂሱ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB\/5902430.html"} {"headline":"ናይ ሕጂን ናይ ቀደምን ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ'ውን ኣባላት ጸጥታ ክልል ኣምሓራን ሕወሓትን ብጉዳይ ግጭት ክልል ትግራይ እገዳ ናይ ቪዛ ኣመሪካ ተነቢርዎም","content":"ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ አንተንይ ብልንክን ትማሊ ሰንበት \"ስጉምቲ ኣሜሪካ ንምፍታሕ እቲ ኣብ ትግራይ ኢትዮጵያ ዝተኸሰተ ቅልውላው\" ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭብጢ ሓድሽ መግለጺ ኣውጺኦም። ብመሰረት’ቲ መግለጺ \"ኣሜሪካ ንናይ ሕጂን ናይ ቀደምን ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበሩ ፣ ናብ ኣሜሪካ ንከይኣትው ቪዛ ከምትክልክል ገሊጻ። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንተንይ ብለንክን ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝዘርግሕዎ መግለጺ \"ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዒን ከምዝተፈጸመ፣ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ህዝቢ ንከይሓልፍ ዕንቅፋት የጋጥሞ ከምዘሎን እዚ ጸገም’ዚ እንተቀጺሉ ድማ ጥምየት ከጋጥም ከምዝኽእል\" ገሊጾም። \"ኣሜሪካ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትግራይ ኢትዮጵያ ዝቀጸለ ቕልውላው ከምኡ'ውን ብዛዕባ ሉዓላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያን ዓሚቕ ሻቕሎት ሓዲሩዋ ኣሎ። ኣብ ትግራይ፣ ህዝቢ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ማህሰይቲን ግፍዒን ይወርዶ ኣሎ። ህጹጽ ረድኤት ሰብኣዊ ሓገዛት ድማ ብወተሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ካልኦት ዕጡቓትን ይዕገት ከምዘሎ\" ይጠቅስ። መግለጺ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ \"እቶም ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቀሱ ጕጅለታት ተዓጻጻፊ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪታት ዋላ’ውን እንተተገብረ፣ ውግእ ደው ከብሉ ወይ ፖለቲካዊ ቕልውላው ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ ትርጕም ዘለዎ ስጕምቲ ክወስዱ ኣይካኣሉን። ኣሜሪካ ንቕትለት፣ ኣገዲድካ ምፍንቃል፣ ስልታዊ ጾታዊ ምድፋር ከምኡ'ውን ካልኦት ዓይነት ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላትን ሃሰያን ብትሪ ትኹንን። ኣብ ትግራይ፣ ምንጭታት ማይ፣ ሆስፒታላት፣ ማእከላት ሕክምናን ንብረትን ምጥፋኡ ኣሰምባዲ እዩ\" ይብል። ናብ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን አብ ዝቀንዐ መጸዋዕታ \"መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዅሎም ብምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላትን ሃሰያን ተሓተትቲ ዝዀኑ ናብ ፍርዲ ከቅርቦምን፣ ንሰላማውያን ሰባት ካብ መጥቃዕቲ ንክከላኸል ከምኡውን ብዘይ ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይዕንቅፋት ንክተሓላለፍ ክሰርሕ እየ ኢሉ ንዝኣተዎ መብጽዓታት ክፍጽም ንጽውዕ ኣለና። መንግስቲ ኤርትራዊ ብወገኑ፣ ነቲ ዝኣተዎ ቃል ከማልእን፣ ንሰራዊቱ ናብቲ ዝፍለጥ ዓለምለኻዊ ክልል ኤርትራ ንኺመልሶምን ጻውዒት ነቅርብ ኣለና። ውግእ ብቅጽበት ደው እንተዘይሉ፣ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ እዋኑ እንተዘይተባጺሑ፣ እቲ ሎሚ ይራኣይ ዘሎን ሰፊሕን ሕጽረት መግቢ ናብ ጥሜት ክመርሕ ይኽእል ኢዩ\" ኢሉ። ብዘይካ'ዚ \"ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ስጕምቲ ዚውሰደሉ እዋን ሎሚ እዩ። ብመሰረት’ዚ፣ ኣብ ትሕቲ ኽፋል 212(ሀ)(3)(ሐ) ሕጊ ስደተኛታትን ዜግነትን፣ ንዝዀነ ይኹን ናይ’ዚ እዋን’ዚ ይኹን ሰበ ስልጣን ነበር መንግስቲ ኢትዮጵያ ወይ ኤርትራ ናይ ቪዛ ፈቃድ ምኽልካል መምርሒ እእውጅ ኣለኹ። እዚ መምርሒ’ዚ ንኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ወይ ውልቀ-ሰባት ማለት ክልላዊን ዘይስሩዕን ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ኣባላት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን (TPLF) የጠቃልል። ነቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ቕልውላው ንምፍታሕ ተባሂሉ ንዝሓለፉ ውሳነታት ዘተዓናቀፉን ዝሓላለኹን፣ ከምኡውን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ዞባ ትግራይ \/ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓመጽ ወይ ካልእ ግህሰት ዝፈጸሙ ወይ ነቶም ናብቲ ክልል ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ንኸይኣቱ ዝዕንቅፉ ዘጠቓልል ኢዩ።\" እዚ ናይ ቪዛ ምኽልካል ውሳነ’ዚ፣ ነቶም ናይ ቀረባ ኣባላት ቤተሰቦምን ስድራቤቶምን እውን ዘጠቃልል እዩ። እቶም ኣብ ትግራይ ንዝወረደ ቕልውላው ንምፍታሕ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት፣ ኣንፈቶም እንተ ዘይቀይሮም፣ ካብ ኣሜሪካን ማሕበረሰብ ዓለምን ተወሳኺ ስጕምቲታት ኺጽበዩ ኣለዎም። ካልኦት ሃገራት እውን ምሳና ሓቢረን፣ ነዚ ስጕምትታት እዚ ኺወስዳ ንጽውዕ። እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፣ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ቍጠባውን ድሕንነትን እገዳታት ገይርና ኣለና። ንናይ ምክልኻል ንግዲ ቁጽጽር ፖሊሲና’ውን ምስኡ ዝሰማማዕ ክንገብሮ ኢና’ ይብል ። ኣሜሪካ \"ንኢትዮጵያ፣ ኣብ ዓውድታት ጥዕና፣ ውሕስነት መግቢ፣ መሰረታዊ ትምህርቲ፣ ንኣንስትን ኣዋልድን ዝዋሃብ ደገፍ ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራሲን ጽቡቕ ምምሕዳር ከምኡ'ውን ግጭት ምንካይ ዝኣመሰለ መዳያት ሰብኣዊ ረድኤትን ክንቅጽሎ ኢና።ኣሜሪካ ፣ ንኤርትራ ንዘይምሕጋዝ ትኽተሎ ዝነበረ ሰፊሕ እገዳታት ከምዝትቅጽለሉ\" ገሊጻ። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ አንተንይ ብልንክን ዝዘርግሕዎ መግለጺ\"ኣሜሪካ፣ እዚ ቅልውላው’ዚ፣ ነባርን ፖለቲካውን ፍታሕ ክግበረሉ ከም ዜድሊ እንደገና ትገልጽ። ነቲ ኣብ ትግራይ ወሪዱ ዘሎ ቕልውላው ንምፍታሕ ንዝግበሩ ጻዕርታት ንምድጋፍ፣ ከምኡ'ውን ኢትዮጵያውያን ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ምክፍፋል ንምስጋር፣ ልዝብን ዕርቅን ንኺገብሩ ንምሕጋዝ ቆሪጻ አላ\" ይብል ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%95%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%95%E1%8C%82%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%90%E1%8B%B2%E1%88%9E%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A9-%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%AA%E1%8B%9B-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%AD-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BB\/5902415.html"} {"headline":"ሲፒጀይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጋዜጠኛ ኒው ዮርክ ታይምስ ምብራሩ ኮኒኑ","content":"ንጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ትካል CPJ Africa መንግስቲ ኢትዮጵያ ንናይ ኒው ዮርክ ታይምስ ሪፖርተር ሳይመን ማርክስ ምብራሩ ኮኒኑ።ናይ ፕረስ ፍቓዱ ኣብ መጋቢት ዝተሰረዘ ክኸውን ከሎ ትማሊ ሓሙስ ሰበስልጣን ኣብ ቁፅፅር ብምውዓል ሰጕጎምዎ ኣለው።እዚ ዝኸውን ዘሎ ዝተናውሐ ናይታ ሃገር ምርጫ ቅድሚ ሓደ ወርሒ እዩ ይብል CPJ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ። መንግስቲ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ምብራር ብምስሓብ ሳይመን ማርክስ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ ብነፃነት ክሰርሕ ፀዊዑ ኣሎ።እቲ ምስጓግ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፀብፃባት ብፍላይ ድማ ግጭት ትግራይን ምርጫን ንምቁፅፃር ዝኸደሉ ንውሓት ኣብነት እዩ ኢሉ CPJ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ነፃነት ፕረስ ከምዘንቆልቆለን ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብ ዝኾንሉ እዋን ዝነበረ ተስፋ ኣብ ግምት ብምእታው ዘጉሂ እዩ ኢሉዎ ኣሎ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ዩናይትድ ስቴትስ ሊንዳ ቶማስ ግሪን ፊልድን ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኢንግሊዝን እውን ኣብ እዚ ሰሙን ብትዊተር ኣቢሎም ስኽፍትኦም ገሊፆም ኣለው። ኣምባሳደር ሊንዳ ፆታዊ ዓመፅን ንጋዘጠኛታት ዒላማ ምግባርን ሓዊሱ ኣብ ትግራይ ዝቐፀለ መግሃስትታት ሰብኣዊ መሰላት ኣዚዩ ዘሻቕል እዩ፤ፈፀምቱ ክኣ ክሕተቱ ኣለዎ ኢለን።ኤርትራ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዝኣተወተቶ ቃል ወታደራታ ካብ ኢትዮጵያ ክተወፅእ ኣለዋ ኢለን ኣምባሳደር ሊንዳ። ኣምባሳደር ኢንግሊዝ ኣብ ኢትዮጵያ ኣላስቴይር ሚክፌይል ብወገኖም ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ምፅብፃብ መሰሎም ዝምንጠሉ ዘለው ጋዜጠኛታት ዘሻቕል እዩ ብፍላይ ድማ ናይ ትግራይ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታውን እታ ሃገር ናብ ምርጫ ትምርሽ ኣብዘላትሉን እዋን ምዃኑ እዩ ኢሎም ብናይ ቲዊተር መልእኽቶም።ሰበስልጣን ጋዜጠኛታት ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ምዃኖምን ስርሖም ክሰርሑ ምፍቃድን ክርድእዎ እፅውዕ ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/cpj-africa-condems-the-ethiopia-govermnet-expulsion-of-new-york-times-reporter\/5899732.html"} {"headline":"ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ቶኽሲ ጠጠው ንምባል ተሰማሚዖም","content":"ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣብ ምዕራብ እዮሩሳሌም ዝተኣከቡ ፍልስጤማዊያን ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝተበፅሐ ስምምዕ ቶኽሲ ጠጠው ምባል ታሕጓሶም ገሊፆም።ድሕሪ ናይ 11 ማዕልታት ውግእ ኣብ ጋዛ ህድኣት ወሪዱ ኣሎ።ኣብ ጋዛ 65 ቆልዑ ሓዊሱ 230 ሰባት ተቐቲሎም ኣለው ብመሰረት ሰብስልጣን ጥዕና እቲ ከባቢ።ኣብ እስራኤእ ድማ 12 ሰባት ተቐቲሎም ኣለው ብመሰረት ሰበስልጣን። ግብፂ እቲ ግጭት ከብቅዕ ንዘቕረበቶ ሽምምግልና እስራኤልን ሓማስን ምስተቐበሉዎ እቲ ስምምዕ ካብ ድሕሪ ስዓት ጀሚሩ ግብራዊ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ፓኪስታን ደቡባዊ ምዕራብ ክፍለ ግዝኣት ባልቺስታን ሎማዕንቲ ዓርቢ ንፍልጤማዊያን ኣብ ዝድግፍ ሰልፊ ብዝወረደ ናይ ቦምብ መጥቓዕቲ እንተወሓደ ሸውዓተ ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት 14ድማ ከምዝቖሰሉ ሰበስልጣን ገሊፆም።ዒላማ ናይቲ መጥቓዕቲ ናይቲ ከባቢ መራሒ እስላማዊ ፓርቲ ፓኪስታን ከምዝነበሩን ብዘይዝኾነ ጉድኣት ከምዘምለጡን ተፈሊጡ ኣሎ። ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካላ የለን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/palestinians-celebrating-cease-fire-between-israel-and-hamas\/5899719.html"} {"headline":"ህንዲ ሕዚ እውን ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዘልዓለ ትጥቃዕ ኣላ","content":"ምንስቴር ጥዕና ህንዲ ኣብቶም ዝሓለፉ 24 ስዓታት በዝሒ ብኮቪድ 19 ዝተትሓዙ 259,591 ምምዝጋቦም ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣፍሊጡ።በዝሒ ዝሞቱ ድማ ልዕሊ 4,000 ተመዝጊቦም ኣለው። ጆንስ ሃፕኪን ዩኒቨርስቲ ኣብ ዓለም ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም ካብ ዝተመዝገቡ 165.5 ሚሊዮን ሰባት ህንዲ 26 ሚሊዮን መዝጊባ ኣላ። ቅድሚት ትስራዕ ልዕሊ 33 ሚሊየን ዝመዝገበት ኣሜሪካ ጥራሕ እያ። ብኻሊእ ወገን ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ መጀመሪያ እዚ ሰሙን ንምንስትራት ጥዕና commonwealth ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ‘’ክታበት ንምርካብ ዘሎ ዘሰንብድ ዓለምለኸ ኣፈላላይ ነቲ ለበዳ ከብቅዕ ዝዓበየ ሓደጋ እዩ’’ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/india-reports-more-than-259000-new-covid-cases\/5899704.html"} {"headline":"ሴነት ዩናይትድ ስቴትስ 'ኣብ ትግራይ ተኹሲ ደው ንክብልን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ንክወጹን' ዝጽውዕ ውሳነ ኣሕሊፉ","content":"ውሳነ ቁጽሪ 97 (S.Res.97) ዝብል ስም ዝረኸበን ሎሚ ሓሙስ ብሴነት ኣሜሪካ ዝጸደቐን ሕጊ ዩናይትድ ስቴትስ፣ ኣርባዕተ ኣገደስቲ ዓንዲታት ዝሓዘ እዩ። ‘መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ካልኦት ተዋጋእቲ ሓይልታትን ኣብ ትግራይ ተኹሲ ደው ከብሉ፣ ሰብኣዊ መሰላት ክኽበሩ፣ ሰብኣዊ ቀረባት ብዘይ ዓንቀፍቀፍ ንክተሓላለፍ፣ ጭቡጥ መርተዖ ዝቀረበሎምን ተፈጺሞም ዝባሃሉን ግፍዒታት ነጻ ኣካል ንከጻርዮም ምትሕብባር’ ዝብሉ እዮም። ውሳነ ሴነት ዩናይትድ ስቴትስ፣ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ውጥረት፣ ናብ ውግእ ምዕራጉን፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ንዝወረዱ ግፍዒታትን መግሃስቲን ኮኒኑ። ብተወሳኺ፣ ኤርትራ ንሰራዊታ ካብ ኢትዮጵያ ብህጹጽ ንክተውጽእ ይጽውዕ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ምቁራጽ ተጻብኦ ብህጹጽ ንክትግበር፣ ኣብ’ቲ ክልል ዝንቀሳቀሱ ሓይልታት፣ ሰብኣዊ መሰላት ንከኽብሩ ጸዊዑ ኣሎ ሴነት ኣሜሪካ። ዝምልከቶም ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ኣካላት፣ ውግእ ኣብ ትግራይ ደው ንክብልን ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ዘተባብዑ ንጹር ስጉምቲ ንክውስዱ’ውን መጸዋዕታ ኣቅሪቡ ኣሎ ሴነት ኣሜሪካ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/us-senate-passed-resolution-calling-the-withdrawal-of-eritrean-troops-from-ethiopia-cease-hostilities-\/5898344.html"} {"headline":"ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ 14 ሰነ 2013 ዓ\\ም ከምዝካየድ ተፈሊጡ","content":"ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ን28 ግንቦት 2013 ዓ\\ም ክካየድ ተታሒዙ ዝነበረ ምርጫ 14 ሰነ 2013 ዓ\\ም ክካየድ ተወሲኑ ኣሎ።ምርጫ ዝተናውሐሉ ምኽኒያት ኣብ ገለ ከባቢታት ምዝገባ መረፅቲ ኣብቲ ዝተቐመጠሉ እዋን ብዘይምዝዛሙ፣ናይ ኣፍፀምቲ ምርጫ ቁፅፅር ንምውሳኽን ንኣፍፀምቲ መረፃ ንምስልጣንን እዩ ክብል ቦርድ ምርጫ ገሊፁ ኣሎ። ዳይረክተር ርክብ ህዝቢ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ሶሊያና ሽመልስ ከምዝገለፅኦ ምስ ምዝገባ መረፅቲ ተኣሳሲሩ ጥርዓን ዝቐረቦምን ምዝገባ ድሕሮም ዝጀመሩን ዘይዛዘሙን ናይ ምርጫ ክልላትን ጣቢያታትን ግን እቲ ምርጫ 14 ሰነ ኣይካየድን ኢለን። ‘’ናይ ድምፂ መውሃቢ ዕለት 14 ሰነ ክኸውን ኢልና ኢና ብወገንና ትፅቢት ንገብር’’ ዝበላ ንሰን ከምዚ ክንገብር ከለና ምልኡ ብምሉእ ናይ መረፅቲ ምዝገባ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፀገም ዝተኻየደሎምን ኣብ ኩሎም ናይ ምርጫ ክልላትን ዝተፈፀመሎም ቦታታት 14 ሰነ ድምፂ ክወሃብ እዩ።እዚ ዘከራኽር ኣይኮነን’’ ኢለን። ብዙሕ ጥርዓንን ክርክርን ኣብ ዝቐረበሎም ግን ድምፂ ኣይህወሃብን ኢለን። ‘’ከይዲ ምዝገባ መረፅቲ ብዙሕ ጥርዓን ዝቐረቦም ክርክር ዝተልዓለሎም ቦታታት ድምፂ ኣይወሃብን።ምኽኒያቱ ኣብ ምዝገባ መረፅቲ ዘሎ ጥርዓንን ዝተልዓለ ክርክር ክዛዘም ስለዘለዎ እዩ’’ ኢለን።ንኣብነት ኣብ ክልል ሶማሌ ኣብ ሸውዓተ ናይ ምርጫ ክልላት ኣብ ምዝገባ መረፅቲ ጥርዓን ቀሪቡ ብቦርድ ምርጫ ምፅራይ እናተገብረ እዩ እውን ኢለን ብምውሳኽ። ኣብ ካልኦት ናይ ፀጥታ ፀገማት ዝነበሮምን ዝተፈላለየ ጥርዓናት ዝቐረቦምን ናይ መረፅቲ ምዝገባ ክሳብ ሕዚ ዘይተጀመረሉ ዞባ መተከልን 14 ሰነ ምርጫ ንምኪያድ ኣይክኣልን ኢለን። ቅድሚ ምስረታ መንግስቲ እቲ መስርሕ ምርጫ ክዛዘም እናሰራሕና ንርከብ ኢለን ዝበላ ወይዘሪት ሶሊያና ቦርድ ምርጫ ኣብ ሓደ ማዕልቲ ምኪያድ ከምዝክኣል ሎጂስቲክስን ናውትን ንምብፃሕ ኣገዳሲን ተወሳኺ ናይ ምርጫ ቁፅፅር ንምውሳኽ ምውሳኑ ኣረዲአን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-national-election-will-be-held-on-june-21-said-the-national-commission-election-board-\/5898133.html"} {"headline":"ኬንያ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ሓላፊት ጉዳያት ፍትሒ መዚዛ","content":"ፕረዚደንት ኬን ያ ኡሁሩ ኬንያታ ንፈለማ እዋን ጓል ኣንስተይቲ ላዕለወይቲ ዳኛን ሓላፊት ጉዳያት ፍትሕን ሸይሙ ። ፓርላማ እታ ሃገር ንሹመት ማርታ ኮሜ ድሕሪ ምፅዳቁ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፥ ውሳነታትን ስጉምትታትን መንግስቲ ሒዙ ዝወጽእ ፍሉይ ጋዜጣ ዜና ሹመታ ሒዙ ወፂኡ'ሎ ። ይኹን ምበር ሓደ ሓደ ናይ ፍትሒ ኣካላት መስርሕ እቲ ምምራጽ ብዝተጭበርበረ መገዲ ዝተኻየደ እዩ ይብሉ ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AC%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%98%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%8C%93%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8A%E1%89%B5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%92-%E1%88%98%E1%8B%9A%E1%8B%9B\/5898084.html"} {"headline":"ርእይቶ ሚ\/ጉ\/ወ ግብጺ ኣብ ኣመላልኣ ማይ ግድብ ህዳሴ ንመርገጺ ኢትዮጵያ ዝድግፍ'ዩ ክብሉ ወሃቢ ቃል ሚ\/ጉ\/ወ ኢትዮጵያ ሓቢሮም","content":"ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳሚ ሹክሪ ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ዲጋ ህዳሴ ኣብ ድልየት ግብጺ ተጽዕኖ ከም ዘይሕድር ምግላጹ ጽቡቕ ኣንፈት`ዩ ክብሉ ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዲና ሙፍቲ ኣፍሊጦም። ከም ሓበረታ ኣገልግሎት ዜና ፋና ርእይቶ ሚኒስትር ሳሚ ሹክሪ​፡ ግብጺ ካብቲ ሒዛቶ ዝጸንሐት መርገጺ ወጺኣ ነቲ ኢትዮጵያ ክተሰጉሞ ዝጸንሐት ሓሳብ ምድጋፋ ዘርኢ ምዃኑ`ውን ጠቒሱ`ሎ ። ብኻልእ ወገን፡ ሚኒስትር ጉዳያት​ ወጻኢ ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን፡ ምስ ሓላፊ ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ዕዉት ዘተ ምግባሩ ዝሓበረ ኣምባሳደር ዲና፡ ንሃገራዊ ምርጫ ንክዕዘቡ ካብ ኣመሪካ:ሩስያን ሕብረት ኤውሮጳ ንዝመጹ ልኡኻት ፍቓድ ምውሃቡ ጠቒሱ`ሎ። ቅድሚ ሎሚ ምርጫ ክካየድ የብሉን ካብ ዝብል ሓሳብ ወጺኦም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣምባሳደራት ነቲ ምርጫ ክንዕዘብ ዝብል ሕቶታት የቕርቡ ከምዘለዉ`ውን እቲ ወሃቢ ቓል ምግላጹ ፋና ሓቢሩ`ሎ። ብተወሳኺ`ውን ነቲ ምርጫ ዝዕዘቡ ካብ ውሽጢ ሃገር 36 ሲቪክ ማሕበራት ፍቓድ ረኺቦም ኣብ ምድላው ከምዝርከቡ ገሊጹ ኣሎ። አምባሳደር ዲና ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ልዑላውነት ኢትዮጵያን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያትን ብዝተፈላለየ መልክዑ ጣልቃ ምእታው ከምዘሎ ድሕሪ ምግላጽ፡ \"ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ዝተገብረ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ብወገን መንግስቲ ዝስርሑ ዘለዉ ስራሓት ኣፍልጦ ብዘይምሃብ ተጽዕኖን ጣልቃ ምእታውን ይግባር ኣሎ\" ኢሉ። vአምባሳደር ዲና ብምውሳኽእዚ ግን ዘይግቡእን ተቐባልነት ዘይብሉን`ዩ ኢሉ ።​ አ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%8B%E1%88%8D%E1%8A%A3-%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%88%AD%E1%8C%88%E1%8C%BA-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%8B%B5%E1%8C%8D%E1%8D%8D-%E1%8B%A9-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A2-%E1%89%83%E1%88%8D-%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/5898072.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ 'ዝሸፈቱ ዕጡቓት' ዝበሎም ን8 አባላት ጸጥታ ምቕታሎም ተሓቢሩ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ዞባቤንች ሸኮ ወረዳ ሸኮ \"ዝሸፈቱ ዕጡቓት\" ዝበሎም ንሸሞንተ ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ከምዝቐተሉ ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ናይቲ ክልል ኣቶ ኣለማየሁ ባውዴ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም። ገበን ፈፂሞም ናብ በረኻ ዝወፁ ሸፋቱ ዝበሉዎም ይፍፅሙዎ ዘለው ፀገም ፀጥታ ንምፍታሕ ናብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዝተንቀሳቐሱ ኣባላት ሓይሊ ፀጥታ ጉድኣት ኣውሪዶም ኢሎም።ነቶም ሸፋቱ ንምጥፋእ ኣንፈት ተቐሚጡ ኣሎ እውን ኢሎም። ቅድሚ ኣዋርሕ እውን ተመሳሳሊ መጥቓዕታት ተፈፂሞም ከምዝነበሩን እቲ ፀገም ዘይተፈትሐሉ ምኽንያት ግን ደገፍ ህዝብን ካብ ሱሩ ዝተሓላለኸን ስለዝኾነን እዩ ኢሎም ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%B8%E1%8D%88%E1%89%B1-%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%958-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%B3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5896837.html"} {"headline":"ቤት ፍርዲ ነጻ ክወጹ ካብ ዝወሰነሎም 15 አባላት ኣመራርሓ ኦነግ ትሸዓት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ፖሊስ ምውዓሎም ጠበቓታቶም ገሊጾም","content":"ላዕለዋይ መሪሕነት ኦነግ ዝኾኑ ኮሎኔል ገመቹ ኣያና ሓዊሱ 15 ሰባት ብቤት ፍርዲ ክፍትሑ እንተተወሰነ እውን ካብ ቤት ማእሰርቲ ከይወፁ እቶም ትሽዓተ ዳግም ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ፖሊስ ምውዓሎም ናይ ተኸሰስቲ ጠበቓታት ገሊፆም። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሳልሳይ ናይ ፀረ ሽብርን ሕገ መንግስትን ጉዳይ መጋባእያ 9 ግንቦት 2013 ዓ\\ም ብነፃ ኣሰናቢቱዎም ከምዝነበረ ጠብቕኦም ሓቢሮም። ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል እቶም ውልቀሰባት ብኻልእ ገበን ጠርጢረዮም መረዳእታ የተኣኻኽብ ስለዝነበርኩ እየ ዳግም ኣብ ቐይዲኣውዒለዮም ዘለኹ ኢሉ ኣሎ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%90%E1%8C%BB-%E1%8A%AD%E1%8B%88%E1%8C%B9-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%90%E1%88%8E%E1%88%9D-15-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%AD%E1%88%93-%E1%8A%A6%E1%8A%90%E1%8C%8D-%E1%89%B5%E1%88%B8%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%89%90%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%8B%93%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8C%A0%E1%89%A5%E1%89%93%E1%89%B3%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/5896828.html"} {"headline":"ኣብ መንጎ ቤንሻንጉል ጉምዝን ዕጡቓት'ቲ ክልልን መረዳድኢ ሰነድ ምፍራሙ ተፈሊጡ","content":"አብ መንጎ ክልላዊ ቤንሻንጉል ጉምዝን ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ዕጡቓትን ናይ መረዳድኢ ሰነድ ምፍርራሙ ተፈሊጡ ። ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝቢ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ፌስቡክ ገፁ ዕላዊ ከምዝገበሮ ነቲ ሰነድ ዝፈረሙ ርእሰ ኣመሓዳሪ እቲ ክልል ኣቶ ኣሻድሊ ሓሰንን ተወካሊ እቶም ጉጅለ ዕጡቓት ኣቶ ጀግናማው ማንግዋን እዮም ። እቲ ስምምዕነት ኣብ ዞባ መተከል ንዝረአ ፀገም ፀጥታ ነባሪ ፍታሕ ዝህብ እዩ ተባሂሉ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8E-%E1%89%A4%E1%8A%95%E1%88%BB%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%8D-%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%95-%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%88%A8%E1%8B%B3%E1%8B%B5%E1%8A%A2-%E1%88%B0%E1%8A%90%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%88%AB%E1%88%99-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5896800.html"} {"headline":"ምዝርጋሕ 650 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ መስመር መተሓላለፊ ኤሌትሪክ ግድብ ህዳሴ ተዛዚሙ","content":"650 ኪሎ ሜትር ዝንውሓት ናይ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ምዝርጋሕ መተሓላለፊ መስመር ሓይሊ ኤሌትሪክ ምሉእ ብምሉእ ምዝዛሙ ተገሊፁ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ምስ መራሕቲ ሃይማኖትን ሲቪክ ማሕበራትን ብዛዕባ እቲ ግድብ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ኣብ ዘካየዶ ምይይጥ ምዝርጋሕ እቲ መስመር ካብቲ ግድብ ክሳብ ሃገራዊ ማእኸል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝርከበሉ ሆለታ ተዘርጊሑ ኣሎ ይብል ንናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት ዝጠቐሰ ፀብፃብ ናይ ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን። ናይቲ ግድብ ቴክኒክ ጉጅለ ኣባል ዝኾኑ ዶክተር በለጠ ብርሃኑ ምስ ህንፀትን ምምላእ ኮንክሪትን ዝስራሕ ናይቲ ግድብ ስቪል ስራሕ 91.8 ሚእታዊት ምእታው ተዛዚሙ ኣሎ ኢሎም።ሓፈሻዊ ህንፀ ናቲ ግድብ ሰማኒያ ምእታዊ ምዝዛሙ እውን ወሲኾም ገሊፆም። ናይቲ ግድብ ክልተ ተርባይናት ቅድመ ምህርቲ ምምንጫው ሓይሊ ኣብ መወዳእታ ዝመፅእ ክረምቲ ክጅምር እዩ ይብል እቲ መንግስታዊ ሚዲያ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AA-%E1%88%9C-%E1%8B%9D%E1%8A%95%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B1-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8D%8A-%E1%8A%A4%E1%88%8C%E1%89%B5%E1%88%AA%E1%8A%AD-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%99\/5896782.html"} {"headline":"ጋዜጣዊ መግለጺ ኣምባ.ኣሜሪካ ኣብ ሕ\/ሃ ቅድሚ ናይ ሎሚ ረቡዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ\/ሃ","content":"ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ \"ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ረቡዕ ንኣፍሪቃ ዝምልከት አጀንዳ ቅድሚ ምጅማሩ፣ ምምሕዳር ፕረዚደንት ጆ ባይደን፣ ኣብ ኣፍሪቃ ዝትግብሮም ፖሊሲታት\" ኣነጸረን። ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ብቴለፎን ኣብ ዝነበረን ጋዜጣዊ መግለጺ \"ነዞም ስግኣታትን ብድሆታትን ንምግጣም ምስ ኣፍሪቃዊያን ሓቢርና ክንሰርሕ ኢ\" ኢለን። \"እቲ ምሩጽን ሓያልን ምሕዝነት ዝፍጠር ግና፣ ኣብ ምትእምማን፣ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዝተመሰረተ እንተኾይኑ ጥራሕ’ዩ\" ኢለን። ኢትዮጵያዊያን ካብ ምምሕዳር ባይደን ውጽኢት ክንሪኢ ኢና ኢሎም ተስፋ ከይገብሩ ክቀብጹ’ዶ ይግባእ? ዝብል ሕቶ እዩ ቀሪቡለን ኣምባሳደር ሊንዳ ቶምስ ግሪንፊልድ። ንሰን ዝሃበኦ መልሲ \"ኢትዮጵያዊያን ከምኡ ዝዓይነቱ ኣንፈት ክመርጹ እዮም ዝብል እምነት የብለይን። ምምሕዳር ባይደን ካብ ፈለማ መዓልቲ ኣትሒዙ ኣብ’ቲ ጉዳይ ተጸሚዱ እዩ ዝርከብ። ፕረዚደንት ባይደን፣ ንሴነተር ኩንስ ናይ ባዕሎም ልኡኽ ገይሮም ልኢኾም።ጄፍ ፊልትማን ኣብ ኢትዮጵያ በጺሖም ተመሊሶም። ኣነ ብወገነይ፣ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣጀንዳ ኮይኑ ንክቀርብን ውሳነ ንክወጽእን ሰሪሔ እየ። ክቅጽለሉ’ውን እየ። ስለዚ ምምሕዳርና ንጹር ጽምዶ’ዩ ነይሩዎ\" ኢለን። ጉዳይ ትግራይ ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ከምዘይላዓል ዝሓበራ እተን ኣምባሳደር ወሲኼን \"ብዛዕባ’ቶም ኣብ ትግራይ ዝተፈጸሙ መግሃስቲ መሰላትን ግፍዒታትን ዝሓደረና ከቢድ ስግኣት ገሊጽና፣ ኣትሪርና ኮኒናዮ’ውን ኢና። እዞም ዝጠቀስኩዎም መልእኽታት ድማ ሪኢኹምዎ ኢኹም። ክንቅጽለሎም’ውን ኢና። መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ንከውጽእ ጸዊዕና ኢና። ጄፍ ፌልትማን ንኤርትራ ከይዱ ምስ ፕረዚደንት’ታ ሃገር ተዘራሪቡ እዩ። ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን እንተኾነ ብዝላዓለ መሪሕነት ተዘራሪብናሉ ኢና\" ባሃሊት እየን። \"ስለዚ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፣ ኣብ’ዞም ጉዳያት’ዚኦም ተጸሚድና ጸኒሕና ኢና። መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝቢ ኢትዮጵያን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ኣፍልጦ ኣለዎም ኢለ እየ ተስፋ ዝገብር። ፍታሕ ንምንዳይ ምሳና ሓቢሮም ክሰርሑ እዮም እየ ዝብል\" ኢለን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%89%85%E1%8B%B5%E1%88%9A-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%88%A8%E1%89%A1%E1%8B%95-%E1%8A%A3%E1%8A%BC%E1%89%A3-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%88%95-%E1%88%83\/5896705.html"} {"headline":"'ኣብ ትግራይ ሰባት ብሰንኪ ጥምየት ይሞቱ ኣለው' ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም","content":"ኣብ ትግራይ ዘሎ ውግእ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣሰንባዲ ኩነታት ፈጢሩ ከምዘሎ፣ ሰባት ብሰንኪ ጥምየት ይሞቱ ኣለው፣ ማእከላት ጥዕና ዓንዮም፣ ምግሳስ ደቂ አንስትዮ ገኒኑ ኣሎ’ ኢሎም ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ\/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም። 5 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ፣ ተጸበይቲ ሰብኣዊ ረድኤት ኮይኖም ከምዘለው’ውን እቶም ዳይረክተር ገሊጾም። ናይ ኖቤል ሰላም ሽልማት ተዓዋታይ ኣብይ ኣሕመድ ሰራዊት ‘ታ ሃገር ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ናብ መቐለ ምስ ኣተው ዓወት እንተኣወጁ እውን ውግእ ቀጺሉ እቲ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ግጭት ብሓይልታት ኢትዮጵያን ወታደራት ኤርትራን ጃምላዊ ጭፍጨፋን ኣስግዳድ ጾታዊ መጥቓዕታትን ክስታት ኣልዒሉ ‘ዩ። ቴድሮስ አድሓኖም ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለጺን ኣብ ናይ ውድብ ጥዕና ዓለም ፌስቡክ ዝወጸ ቪዲዮን ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነትት ዘተሓሳስብ‘ዩ ኢሎም። ‘’ኣብ ትግራይ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ብሓደ ቃል ክገልጾ እንተኾይነ ዘሰንብድ ዝብል ቃል አዩ።ኣዚዩ ዘሰንብድ።ኣስታት ሓሙሽተ ሚሊዮን ህዝቢ እቲ ክልል ሰብኣዊ ረድኤት የድሊዮ ኣሎ።91 ምእታዊ ረድኤት ምግቢ የድሊዮ።ብሰንኪ ጥምየት ብዙሓት ሰባት ምሟት ጀሚሮም ኣለው’’ኢሎም። ከቢድን ሕሱምን ሕጽረት ኣመጋግባ ሰፊሕ እዩ እውን ኢሎም ንሶም። ካብዚ ብተወሳኺ ኣማእቲ ኣሽሓት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ልዕሊ 60,000 ሰባት ድማ ናብ ሱዳን ሃዲሞም እዮም።ዝፍጸም መቕተልትን ጾታዊ ዓመጽን ሰፊሕ እዩ ኢሎም። ‘’ ኣስገዳድ ጾታዊ መጥቓዕቲ ብሰፊሑ’ዩ ዝፍጸም።ብሓቂ ኣብ ዓለም ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ በዚ ደረጃ ዝተፈጸመ ኣይመስለንን።ኣገልግሎታት ጥዕናት ዓንዮምን ተዘሪፎምን።መብዛሕቲኦም ኣይሰርሑን ዘለው።ብዘይኣፈላላይን ግልጺ ዘይኮነን ምቕታል ኣሎ’’ኢሎም። ሞበቆሎም ኣብ ዝኾነት ክልል ትግራይ ኩነታት ኮቪድ-19 ዝተሓተቱ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ምስቶም ካልኦት ቅልውላዋት እንትርአ ቀዳምነት ዝወሃቦ ኣይኮነን ኢሎም። ‘’ሓቂ ንምዝራብ ብዝዓበየ ደረጃ ብዛኦባ ኮቪድ-19 ኣብ እንዘራረበሉ ኩነታት ኣይኮናን ዘለና።ምኽንያቱ ካልኦት ኣገደስቲ ዛዕባታት ኣለው’’ኢሎም። ሓደ ካብ መንጎ እቶም ኣዚዩ ብቕልጡፍ ክፍትሑ ዘለዎም ሽግራት ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ሓገዝ ንከቕርቡ ምሉእ ብምሉእ ክኣውት እዩ።መራሕቲ ዓለምን ትካላት ረድኤትን ናብቶም በቲ ቅልውላው ኣዚዮም ዝተጠቅዑ ከባቢታት ምሉእ ብምሉእ ተበጻሕነት ብተደጋጋሚ ክጽውዑ ጸኒሖም ኣለው። ሕብረት ኣውሮጳ ናብቲ ከባቢ ረደአት ከይኣቲ ይፍጸም ንዘሎ ምዕጻው ብምውጋዝ ‘’ሰብኣዊ ረድኤት ከም ናይ ኲናት መሳርሒ ምጥቃም’’ ዝሓለፈ ዓርቢ ኮኒኑዎ ኣሎ። እዚ ‘’ናትና ሓገዝ ናብ ዘድልዮ ህዝቢ ንምብጻሕ ዓብይ ዕንቅፋት’’እናፈጠረ እዩ ኢሎም ዶክተር ቴድሮስ። መብዛሕቲኦም ትካላት ጥዕና ኣብ ዝዓነውሉ እዚ ናይ ሕቡራት መንግስታት ውድብ ጥዕና ንኮሌራ፣ንፍዮን ካልኦት ለበዳታትን ሻቐሎ ኣለዎ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/the-who-chief-said-some-five-million-people-in-the-region-are-now-in-need-of-humanitarian-aid-and-sepcially-food-aid\/5895309.html"} {"headline":"'ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ናይ ድሕነት ስግኣት ምንጩ ኣብ ትካላት ጸጥታ ሓላፍ ዘላፍ ስለዝተራእየ`ዩ'ም\/ሚኒስትር ሰላም","content":"ምኽትል ሚኒስትር ሰላም ወ\/ሮ ፍሬኣለም ሸባባው ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ናይ ድሕነት ስግኣት ምንጩ ኣብ ትካላት ጸጥታ ሓላፍ ዘላፍ ስለዝተራእየ`ዩ ኢላ ። ኣብቲ ናይ ትሸዓተ ክልላትን ክልተ ከተማታትን መሪሕነት ጸጥታ ዝተሳተፍሉ ብሃገር ደረጃ ዝተወደበ ገለልተኛ ኣማኻሪ ጉጅለ ንድሕነት ሕብረተሰብ ማእከል ጌሩ ኣብ ከተማ ባህርዳር ናይ ምኽክር ጉባኤ የካይድ ኣሎ። ምኽትል ሚኒስትር ​ሰላም ወ\/ሮ ፍሬኣለም ሸባባው ​ ኣብቲ እዋን ክትገልጽ ከላ- እዚ ናይ ለውጢ መንግስቲ ከወግዶ ቃል ካብ ዝኣተወሉ ሓደ ካብ ሃይማኖትን ካብ ዓሌትን ናጻ ዝኾነ ትካል ምህናጽ`ዩ ብምባል፡ ብእኡ መሰረት ድማ ካብ ፖለቲካ ናጻ ዝኾነ ሰነድ`ውን ከዳሉ ክኢሉ`ዩ ኢላ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A0-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%B5%E1%8C%8D%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%8C%A9-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8D-%E1%8B%98%E1%88%8B%E1%8D%8D-%E1%88%B5%E1%88%88%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%A5%E1%8B%A8-%E1%8B%A9-%E1%88%9D-%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AD-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-\/5893936.html"} {"headline":"13 ተአሲሮም ዝጸንሑ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ብነጻ ተለቒቖም","content":"ኮሌኔል ገመቹ ኣያና ዝርከቦም ተኣሲሮም ዝጸንሑ 13 ላዕለዎት ኣመራርሓ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ሎሚ ቤት ፍርዲ ብናጻ ኣሰናቢቶም ኣሎ። ክሶም ሽበራዊ መጥቃዕቲ ፈጺምኩም ኣተሓባቢርኩም ከምኡ`ውን ኣዋፊርኩም ዝብል ምንባሩ ጠበቕኦም ኣቶ ቱሊ ባይሳ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ`ሎ። እቶም ተኸሰስቲ ብፍላይ ኣብ ኣርባዕተ ዞባታት ወለጋ ከምኡ`ውን ኣብ ምዕራብ ሸዋ፡ ምስ መሪሕነት 'ኦነግ ሸኔ' ብምትሕብባር ንክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ብሓይሊ ንምውራድ፡ ከምኡ`ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ነቲ ሕብረተሰብ ብምሽባር ዝብል ናይ ሽበራ ክሲ ተመስሪትዎም ምጽንሑ ጠበቕኦም ኣፍሊጡ`ሎ። እቶም ተአሲሮም ዝጸንሑ ሰባት ድሕሪ ክልተ ዓመት ብናጻ ተለቒቖም ኣለዉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%8A%A0%E1%88%B2%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%91-%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%AD%E1%88%93-%E1%8C%8D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%88%93%E1%88%AD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9E-%E1%89%A5%E1%8A%90%E1%8C%BB-%E1%89%B0%E1%88%88%E1%89%92%E1%89%96%E1%88%9D\/5893902.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ኣብ ወጥሪ ኣብ ትርከበሉ ዳግም ንምርጫ ኣናዊሓ","content":"ገለ ተቓወምቲ ፓርትታት ኣብቲ ምርጫ ኣይንሳተፍን ድሕሪ ምባሎም ኢትዮጵያ ንሃገራዊ ምርጫ ዳግም ኣናዊሓቶ።ኣባል መሪሕነት ተቓዋሚ ፓርቲ ይልቃል ጌትነት እታ ሃገር ኣብዚ ሕዚ እዋን ምርጫ ንምክያድ ድልውቲ ኣይኮነትን ኢሎም።ብዛዕባ ምንዋሕ ናይቲ ምርጫ ሪኢቱኦም ዝሃቡ መራሕቲ ተቓዋሚ ፕሮፌሰር መራራ ጉዲና ብወገኖም ዝካየድ ምርጫ ናይ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ፀገማት ሰላም፣ምርግጋእን ዴሞክራን ከምኡ እውን ትርጉም ዘለዎ ምዕባለን ስለዘየምፅእ ትርጉም የብሉን ክብሉ ገሊፆም።ናይ ዩናይትድ ስቴት ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ‘ወትሃደራዊ ሓይልታት፣ ናብ ገሊኡ ዞባታት ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ንከይኣትዉ ዝዓገቱሉን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዝተረጋገጸ ጸገማትን ንዩናይትድ ስቴትስ ኣተሓሳሲብዋ ኣሎ ኢሎም። ወታደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወፁ፣መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ንናይ ክልል ኣምሓራ ካብ ትግራይ ከውፅእን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣምሓራ ዝርከቡ ክፋላት ክልል ትግራይ ናብ ትግራይ ክምለሱን ብሊንከን ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ፀዊዖም። ብቅድሚ ትማሊ ቀዳም ምስ ተወከልቲ ፖለቲካዊ ውድባት ዝተራኸባ ሓላፊት ኮሚሽን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ወይዘሪት ብርትኳን ሚደቅሳ 28 ግንቦት 2013 ዓ\\ም ዝካየድ ምርጫ እንተወሓደ ንክልተ ወይ ሰለስተ ሰሙናት ተናዊሑ ኣሎ ኢለን።ምሕታም ናይ ምርጫ ካርድታትን ካልኦት ስራሕትን ንምዝዛም ዝብሉ ምኽኒያታት ጠቒሰን ኣለዋ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ መናውሒ ምኽኒያት ለበዳ ኮቪድ 19 ነይሩ።እቲ ፈላማይ ምንዋሕ ምስ መራሕቲ ክልል ትግራይ ወጥሪ ክንህር ገይሩ።መራሕቲ ትግራይ እቶም ቀዳማይ ምንስቴር ስልጣኖም ኣብቂዑ እዩ ክብሉ ብምእዋጅ ናይ ባዕሎም ክልላዊ ምርጫ ኣካይዶም ኢትዮጵያ ድማ ዘይሕጋዊ እዩ ክትብል ፀዊዓቶ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ይካየድ ብዘሎ ኵናት ኣሽሓት ተቐቲሎም፤ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ተወልደቲ ትግራይ ምፅናት ዘርኢ ተፈፂሙ ዝብል ክሲ ክተቐርብ ገይሩዋ።ምፅናት ዘርኢ ‘’Ethnic Cleansing’’ ካብ ሓደ ከባቢ ንህዝቢ ብሓይሊ ብምብራርን ብምቕታልን ፆታዊ ዓመፅ ብምፍፃም ሓዊሱ ብኻልኦት ህውከትን ዝፍፀም በደል ዝምልከት እዩ። ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ብቅድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ‘’ወትሃደራዊ ሓይልታት፣ ናብ ገሊኡ ዞባታት ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ንከይኣትዉ ዝዓገቱሉን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዝተረጋገጸ ጸገማትን ንዩናይትድ ስቴትስ ኣተሓሳሲብዋ ኣሎ። እዚ ተቐባልነት ዘይብሉ ኩነታት’ዚ፣ን5.2 ሚልዮን ተጸባዪ ረድኤት ዝኾነ ህዝቢእቲ ክልል ኣብ ሓደጋ ዘውድቅ እዩ’' ይብል። መሰኻኽር ንረድኤት ይዓፅው ወይ ይሰርቁን ብጉጅለ ፆታዊ ዓመፅ ይፍፅሙ ኣለውን ዝበሉዎ ወታደራት ኤርትራ ብዘይውዓል ሕደር ካብ ትግራይ ክወፁ እቲ መግለፂ ደጊሙ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ። ‘’ሰበ ስልጣን ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰራዊት ኤርትራ ክወጽእ ብተደጋጋሚ ቃል ኣትዮም እዮም’‘ ይብል እቲ መግለፂ። ’መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሓይልታት ክልል ኣምሓራ ካብ ክልል ትግራይ ከውጸኦምን ምዕራባዊ ትግራይ ናብ ትሕቲ ቁጽጽር ጊዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ንክምለስን ንክሰርሕ ንምሕጸን ኣለና’’ ይብል እቲ መግለፂ። ቀ\\ሚ ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ንፈጸምቲ ግፍዒ ናብ ፍርዲ ንከቅርብዎም ፀዊዑ ኣሎ መግለፂ ኣንቶኒ ብሊንከን። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ዩናይትድ ስቴትስ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ኣብዝሓለፉ ማዕልታት ብትዊተር ኣብ ዝፀሓፍኦ መልእኽቲ ፍልኡይ ልኡኽ ፌልትማን ንቀዳማይ ምንስቴር ኣብይን ካልኦት መራሕቲ ኢትዮጵያን ከምገለፁሎም ሰብኣዊ ረድኤት ንዘድልዮም ሚሊዮናት ህፁፅ ስጉምቲ ምውሳድ የድሊ ኢለን።ቶኽሲ ጠጠው ምባል ንምስፋንን እዚ ግጭት ከብቅዕን ምስ መሻርኽትና መሓዙትናን ምስራሕና ክቕፅል እዩ ኢለን።ንሰን ብምውሳኽ ፆታዊ ዓመፅን ንጋዜጠኛታት ዒላማ ምግባርን ሓዊሱ ኣብ ትግራይ ዝቐፀሉ ፀብፃባት መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ኣዚዩ ዘተሓሳስብ እዩ፤ፈፀምቱ ክሕተቱ ኣለዎ ኢለን።ኤርትራ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዝኣተወቶ ቃል ወታደራታ ካብ ኢትዮጵያ ክተውፅእ ኣለዋ ኢለን ኣምባሳደር ሊንዳ። ናይ ኖቤል ናይ ሰላም ሽልማት ተዓዋታይ ቀዳማይ ምንስቴ ር ኣብይ እዚ ናይ ሎሚ ምርጫ ነፃን ፍትሓውን ከምዝኸውን ቃል ኣትዮም እዮም። ብልፅግና ፓርቲ ኣብ ፓርላማ ዓብላላይ ወንበር እንተስዒሩ ኣብይ ኣብ ስልጣኖም ክፀንሑ እዮም።ኣብ ካልኦት ክፋላት እታ ሃገር ሓልሓሊፉ ደማዊ ናይ ብሄር ወጥርታት ኣብ ዘለሉ ብዛዕባ እቲ ምርጫ ሕቶታት ምልዓሎም ቀፂሉ ኣሎ። ኣብ ምርጫ ካብ ምስታፍ ንርእሱ ናይ ዘግለለ ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኣቦ ወንበር ፕሮፌሰር መራራ ጉዲና ንጋዜጠኛ ቪኦኤ ጄሚስ ባቲ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድን መንግስቶምን ‘'ናይ ውልቀ ምልክነት ምርጫ’' ኢሎም ዝፀውዕዎ ምርጫ ብምክያድ ቅቡልነትን ናይ ወፃኢ ረድኤትን ንምርካብ ክብሉ ንምክያድ እዮም ክትልሙ ዝፀንሑ ኢሎም። እዚ ምርጫ ንሰለስተ መሰረታዊ ሽግራት ናይታ ሃገር ኣይፈትሕን ዝበሉ ንሶም ‘’ቀዳማይ ሕቶ ፀላቒ ሰላምን ምርግእን፣ ካልኣይ ዴሞክራቲክ ኢትዮጵያ እቲ ሳልሳይ ድማ ትርጉም ዘለዎ ቁጠባዊ ምዕባለ እዮም’’ ኢሎም። ንዜጋታት ትርጉም ዘይብሉ እዩ ኢሎም ወሲኾም። ህብር ኢትዮጵያ ዴሞክራቲክ ፓርቲ ናይ ዝተብሃለ ውድብ ዳይረክተ ጉዳያት ምርጫ ዝኾኑ ይልቃል ጌትነት ንኣሴሸትድ ፕረስ ከምዝበሉዎ ውድቦም እታ ሃገር ኣብዚ ሕዚ እዋን ምርጫ ንምክያድ ድልውቲ እያ ኢሉ ኣይኣምንን ኢሎም። ‘’ምስ ሱዳን ዘሎ ናይ ዶብ ጉዳይ ብተዋሳኺ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብዙሕ ናይ ሰላምን ፀጥታን ፈተናታት ኣለው’’ ዝበሉ ይልቃል ጌትነት ድሕነት ሚሊዮናት ሰባት ኣብ ሕቶ ወዲቑ ኣሎ ኢሎም።’’እቲ ገዛኢ ፓርቲ ከምዝሓስቦ ከይኮነስ ምርጫ ነዞም ፀገማት ኣይፈትሕን።ቅድሚ ኩሉ ኣብ ብዙሓት ዛዕባታት ሃገራዊ ዘተ ፈለማ ክመፅእ ኣለዎ’'ኢሎም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓሙሽተ ሰኔተራት ዩናይትድ ስቴትስ ንናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ጀፍረይ ፌልትማን ኣብ ዝፀሓፉዎ መልእኽቲ ናይ ትግራይ ግጭት ኣብ ዝቐፀለሉ እዋን ፍታሓዊ ምርጫ ክካየድ እንተኾይኑ ሻቖልታቶም ገሊፆም ነይሮም። ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነዚ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ እቲ ምርጫ ነፃ ምዃኑ ንምርግጋፅ ፃዕርታት ይገብር ኣለኹ ኢሉ።ቦርድ ምርጫ 36.2 ሚሊዮን ከምዝተመዝገቡ ኣፍሊጡ ኣሎ።ኣስታት 50 ሚሊዮን ክምዝገቡ ተስፋ ነይሩዎ። ናይ ኣሜሪካ ምንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ‘'ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝቐፀለ ፖለቲካውን ናይ ብሄረሰባት ምትፍናን ኣዚዩ ኣሻቒሉና ኣሎ’’ክብል ዝሓለፈ ዓርቢ ገሊፁ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%8C%A5%E1%88%AA-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%8B%B3%E1%8C%8D%E1%88%9D-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A3%E1%8A%93%E1%8B%8A%E1%88%93-\/5893729.html"} {"headline":"ዘተ ኣብ ዲስፒሊን ሰራዊት ኤርትራ","content":"ምስ ግጭት ክልል ትግራይ ብምትሕሓዝ ብዛዕባ ዲሲፕሊን ሰራዊት ኤርትራን ብዛዕባ ዝወጹ ዘለዉ ጸብጻባትን ፥ ንክልተ ኣብቲ ኩነታት ዝካትዓ ደቀንስትዮ ማለት ኤርትራዊት ብስራት ሃብቱ ካብ ካናዳ፡ ኢትዮጵያዊት ኤልሳቤጥ ይሕደጎ ካብ ስዊድን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%B2%E1%88%B5%E1%8D%92%E1%88%8A%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB\/5893498.html"} {"headline":"‘ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ንፈጸምቲ ግፍዒ ናብ ፍርዲ ንከቅርብዎም’ US ጸዊዓ","content":"ሚኒስቴር ወጻኢ ኣሜሪካ ትማሊ ቀዳም ንኩነተ ቀረብን ይራኣይ ኣሎ ዝበሎ ዓንቀፍቀፍን ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ ትግራይ፣ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ። ብመሰረት’ቲ መግለጺ ‘ወትሃደራዊ ሓይልታት፣ ናብ ገሊኡ ዞባታት ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ንከይኣትዉ ዝዓገቱሉን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዝተረጋገጸ ጸገማትን ንዩናይትድ ስቴትስ ኣተሓሳሲብዋ ኣሎ። እዚ ተቐባልነት ዘይብሉ ኩነታት’ዚ፣ ን5.2 ሚልዮን ተጸባዪ ረድኤት ዝኾነ ህዝቢ'ቲ ክልል ኣብ ሓደጋ ዘውድቅ እዩ’ ይብል። ‘ዩናይትድ ስቴትስ ኣመሪካ’ ይብል እቲ መግለጺ ‘መንግስትታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ትግራይ ዘዋፈርዎም ሓይልታት፣ ይፍጽምዎ ኣለው ዝበሎ ‘ተነቃፋይ ተግባር’ ንኸቋርጽዎ ኣድላዪ ስጕምትታት ንክወስዱ ብዘየማትእ መገዲ ጻውዒት ተቅርብ ኣላ። ብተወሳኺ፣ ኩሎም ሓይልታት፣ ኣብ ትሕቲ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊታት ንዘሎ ግዴታታት እንኮላይ ነቲ ንሰላማውያን ሰባት ካብ ጥቅዓት ንምክልኻል ዝምልከት ዝወጸ ክፍጽሙ፣ ውግእ ብህጹጽ ኸቋርጹ፣ ነቶም ዝሳቐዩን ሓገዝ ዘድልዮምን ህዝቢታት ረድኤት ንክረኽቡ ኩነታት ከመቻችው ንጽውዖም ኣለና። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ መዳይ እዚ መሪሕ ተራ ክህልዎ፣ ትካላት ረድኤት ብህጹጽ ናብ ሙሉእ ትግራይ ብዘይ ዕንቅፋት ንኽኣትዉ ኸቀላጥፍን ኣለዎ’ ይብል ። ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ዘውጸኦ መግለጺ ‘ኣብ ትግራይ ዘለው ዕጡቃት ሓይልታት፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዓመጽ ከም ዝፈጸሙ ዝገልጽ ብዙሕ ዘተኣማምኑ ጭብጢታት ኣሎ። ገለ ኻብ’ዞም ገበናት'ዚኦም፣ ኣብ ጾታ ዝተመርኰሰ ዓመጽን ካልእ ንሰብኣዊ መሰላት ዝጥሕሱ ግፍዕታትን ኢዮም። ብፍላይ ተግባራት ወትሃደራት ኤርትራን ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ዝገበርዎ ዝኸፍአ ተግባር ተጠቃሲ እዩ። ህላዌ ወትሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ፣ ንህድኣትን ሓድነትን ኢትዮጵያ መሊሱ ዘዳኽሞ እዩ። መንግስቲ ኤርትራ፣ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ንከወጽኦም ደጊምና ጻውዒት ነቅርብ ኣለና’ ኢሉ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ ‘ሰበ-ስልጣን ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ሰራዊት ኤርትራ ክወጽእ እዩ ኢሎም ቃል ዋላ’ውን እንተኣተው፣ ነዚ ንምፍጻም ግን ዋላ ሓንቲ ዝተገብረ ምንቅስቓስ ኣይረኣናን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ንሓይልታት ክልል ኣምሓራ፣ ካብ ክልል ትግራይ ከውጸኦምን፣ ምዕራባዊ ትግራይ ናብ ትሕቲ ቁጽጽር ጊዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ንክምለስን ንክሰርሕ ንምሕጸን ኣለና’ ይብል። ሚኒስቴር ወጻኢ ኣሜሪካ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዩን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዘሕለፎ መጸዋዕታ 'ፈጸምቲ ግፍዒ ብሙልኦም ናብ ፍርዲ ግድን ኣቅርቡዎም’ ኢሉዎም ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/us-state-department-ethiopia-eritrean-troops-in-tigray-attrocities-amhara-forces-western-tigray-humanitarian-\/5892537.html"} {"headline":"መግለጺ ሚ\/ጉ\/ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ዑደት ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፈሪ ፊልትማን","content":"ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪይ ፌልትማን፣ ኣብ ግብጺ፣ ኤርትራ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ካብ 4 ክሳብ 13 ግንቦት 2021 ዓ\/ም ዘካየድዎ ዑደት ዛዚሞም ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣለው። ኣብ ቀረባ ናብ’ቲ ዞባ ንካልኣይ እግሪ ከምዝምለሱ’ውን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሎሚ ዓርቢ ዝዘርገሖ መግለጺ ሓቢሩ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ቀራና መንገዲ እዩ ዝርከብ ይብል: ኣብ’ዘን ዝመጻ ሰሙናትን ኣዋርሕን ዝሓልፉ ውሳነታት፣ ንህዝቢታት’ቲ ዞባን አገዳሲ ምዕባለታት ዘጋጥሙ ከምዝኮኑ ይእምት። ኣሜሪካ ነቶም ዝተቆላለፉ ዞባዊ ቅልውላዋት ንምግጣም ቅርብቲ ከምዝኾነት፣ ምዕባለን ዝቀሰነ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንክህሉ፣ ዜጋታት ኣብ ልዕሊ መንግስቶም ዘቃልሕዎ ርእይቶ ንክስማዕን መንግስቲ ንዜጋታቱ ተሓታቲ ኣብ ምግባርን ክሰርሕ እዩ ይብል። ኣብ ትግባረ’ዚ ራኢ’ዚ፣ ሉኣላዊትን ዝሓበረትን ኢትዮጵያ መሰረት ከምዝኸውን’ውን መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ይገልጽ። እንተኾነ፣ ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ እናወሰኸ ይመጽእ ዘሎ ፖለቲካዊን ዓሌታዊን ውጥረት ኣዝዩ ከምዘሻቅላ ኣሜሪካ ሓቢራ ኣላ። ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ግፍዒን ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላውን ተቀባልነት ዘይብሉ እዩ’ውን ይብል። ኣሜሪካ ምስ ዓለምለኸ መሻርኽታ ተሓባቢራ ንምቁራጽ ተጻብኦ ክትሰርሐሉ እያ፣እቲ ከቢድ ኩናት ንከብቅዕ፣ ህይወት ኣድሕን ሰብኣዊ ሓገዛት ክተቅርብን እቶም ኣብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ገበንን ዝተሳተፉ ናብ ፍርዲ ንክቀርቡ ከምዝትሰርሕ’ውን ሓቢሩ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ቅልውላው ናይ ትግራይ፣ መርአያ እቲ አብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሃገራዊ ብድሆ ከምዝኾነ ንትርጉም ዘለዎ ለውጢ ዘጉለሀ እዩ ይብል ። ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ዝኾኑ ጀፍርይ ፌልትማን ምስ ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድን ካልኦት መራሕቲ ኢትዮጵያን ከምዝተላዘብሉ፣ እዞም ብድሆታት’ዚኣቶም ክፍትሑ ዝኽእሉ፣ ብኩሉ ሓቆፍ ልዝባትን፣ ንፓለቲካዊን ሰብኣዊን መሰላት ብዘኽበረን ኣብ ምክብባር ኣብ ዝተሰረተን መድረኽ እዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ህላዌ ወትሃደራት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ነዞም ዝተገልጹ ብድሆታት ፈቲሕካ ኣብ ሸቶ ንምብጻሕ ዓንቃፊ ከምዝኾነ ዝገለጸ እቲ ዜና፣ ፍሉይ ልኡኽ ጀፍርይ ፌልትማን፣ ኣብ አስመራ፣ ንፕረዚደንት ኢሳያስ አፈወርቂ፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብህጽጽ ምውጻኦም ዘለዎ ኣገዳስነት ከምዝገለጹሎም’ውን ጠቂሱ ኣሎ። ፖለቲካዊ ስግግር ኣብ ሱዳን፣ ምስሕሓብ ኣብ ልዕሊ ዓብዪ ግድብ ኢትዮጵያ’ውን ቀንዲ ኣጀንዳታት ፍሉይ ልኡኽ ጀፍርይ ፌልትማን ከምዝነበሩ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%89%E1%8B%AD-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%95%E1%89%80%E1%88%AD%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8C%80%E1%8D%88%E1%88%AA-%E1%8D%8A%E1%88%8D%E1%89%B5%E1%88%9B%E1%8A%95\/5891096.html"} {"headline":"ሃገረ ስብከት መቐለ ንመልእኽቲ ፓትርያርክ ዝድግፍ መግለጺ ኣውጺኡ","content":"ኣብ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ሃገረ ስብከት መቐለን ማሕበር ምሩቓት ነገረ መለኮት ትግራይን ብብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ዝሓለፈ መልእኽቲ ከምዝድግፍዎ ኣብ ዘውፅእዎ መግለጺሓቢሮም:: እቲ መግለፂ 'ምፅናት ዓሌት' ይፍፀም ኣሎ ተባሂሉ በቶም ፓትሪያሪክ ዝተገለፀ ይፍፀም ካብ ዘሎ እቲ ዝተወሰነ እዩ ኢሉ:: ኣብ ዝሓለፈ ሶኑይ ዋና ፀሓፊ ሲኖዶስ እታ ቤተክርስቲያን ብፁእ ኣቡነ ዮሴፍ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ መልእኽቲ እቶም ፓትርያርክ ንሲኖዶስ ኣይውክልን ኢሎም ነይርም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%A6%E1%88%AD%E1%89%B6%E1%8B%B6%E1%8A%AD%E1%88%B5-%E1%89%A4%E1%89%B0%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%A8-%E1%88%B5%E1%89%A5%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88%E1%8A%95-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%88%A9%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%8A%90%E1%8C%88%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%88%88%E1%8A%AE%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95\/5891083.html"} {"headline":"ሃገራዊ ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ምዝገባ ምርጫ ብዘይካ ኣብ ሰለስተ ዞባታት ምዝዛሙ ኣፍሊጡ","content":"ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ብሰንኪ ግጭት ብዘይካ ንሓደ ሰሙን ኣብ ዝተናውሐሎም ሰለስተ ዞባታት ብደረጃ ሃገር ምዝገባ ምርጫ ሎሚ ዓርቢ ምዝዛሙ ወግዓዊ ገይሩ። ቦርድ ምርጫ ኣብ ከይዲ እቲ ምዝገባ ዝጎልሀ ፀገም ኣየጋጠመን ኢሉ። ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ እውን ዘተባብዕ ከምዝኾነ ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን ቦርድ ምርጫ ሶሊያና ሽመልስ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፀን። ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ በብትውልዲ ከባቢኦም ከይዶም ከምዝመርፁ ዝተገለፀ ክኸውን ከሎ ተመዛበልቲ ኣብ ዘለውዎ ቦታ ኮይኖም ክመርፁ ዝተታሓዘ መደብ ግን በቲ ዝተመደበሉ ልክዕ ይዕወት ከምዘየለ እተን ዳይሬክተር ገሊፀን ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%89%A6%E1%88%AD%E1%8B%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%89%A3-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%8B%9E%E1%89%A3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8B%9B%E1%88%99-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5891070.html"} {"headline":"ዓለምለኸ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኣክሱም ተፈፂሙ ዝተብሃለ ጭፍጨፋ ዓለምለኸ ምርመራ ክካይድ ፀዊዖም","content":"ክልተ ዓለምለኸ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት Amnesty Intranational ን Human Right Watch ን ኣብ ኣክሱም ፈፂሙዝተብሃለ ጭፍጨፋ ነፃ ዓለምለኸ ምርመራ ክካየድ ፀዊዖም።ናይ ኢትዮጵያ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ኣክሱም ዝተቐትሉ ወታደራዊ ዩኒፎርም ከይተኸደኑ ኣብ ውግእ ዝተሳተፉ 93 ሰባት እዮም ክብል ድሕሪ ምግላፁ ኣብ ዝሃቡዎ መልሲ እዮም እቶም ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ነዚ ዝገለፁ። ኣብ ኣክሱም ተፈፂሙ ብዛዕባ ዝተብሃለ ጭፍጨፋ ቀዲሙ መግለፂ ዘውፅአ Amnesty International ዝተብሃለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሎማዕንቲ ንናይ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ናይ ኣክሱም ምርመራ መልሲ ሂቡ ኣሎ።ጠቕላሊ ዓቃቢሕጊ ኣካይደዮ ዝበሎ ምርመራእቶም ግዳያት ኣብ በሪኽ ቦታ ክፋል ከተማ ኣክሱም ኖቂጦም ንዝነበሩ ወታደራት ኤርትራ ዘጥቕዑ ተዋጋእቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ እዮም ምባሉ ይገልፅ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል። ኣምነስቲ ዝኣከቦም መርትዖታት ከምዝሕብሩዎ ግን መብዛሕቲኦም ግዳያት ዘይተዓጠቑ ስቪላት ነበርቲ ኣክሱም ብዙሓት ካብቲ ህውከት ይሃድሙ ዝነበሩ እዮም ይብል።እቲ ቕትለት ክጅመር ከሎ ኣብቲ ቦታ ንዝነበሩን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዘዘራረቦም መሰኻኽር ከምዝበሉዎ ወታደራት ኤርትራ ይሃድሙ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ስቪል ደቂተባዕቲዮን መናእሰይን ጠያይቲ የዝንቡ ነይሮም ይብል ኣምነስቲ። ወታደራት ኤርትራ ንሓደ ጎደና ሓዳሪን ናይ ኣእምሮ ጥዕና ፀገም ንዝነበሮን ከምዝቐተሉዎን ብዙሕ ቕትለት ዝተፈፀመ ገዛ ንገዛ እናፈተሹ ኣብ ናይ ውልቂ መንበሪ ገዛውቲ ንዝረኸቡዎም ኩሎም ደቂ ተባዕቲዮ ከምዝቐተሉን ይገልፅ።ኣብ ብዙሓት ኣጋጣሚታት ወታደራት ኤርትራ ኣብ ገዛ ንዝረኽቡዎም ደቂ ተባዕቲዮ ኣባላት ስድራ ቀቲሎም ይብል ኣምነስቲ። ወታደራት ኤርትራ ቆልዑ ከይተረፉ ኣብ ቅድሚ ኣባላት ስድርኦም፣ንስቪላት ምቕታሎም 28 ሕዳር 2020 ኣ\\ፈ ክሳብ ምሸት ኣብ ብርክት ዝበሉ ክፋላት ከተማ ኣክሱም ካብቲ ቅድም ኢሉ ውግእ ዝተኻየደሉ ቦታ ሪሒቖም ኣብ ዝርከቡ ቦታታት ንኣብነት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጴንጣሊዮስ፣ሳቢያን፣መንሃሪያን ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤልን ሓዊሱ እዮም ቀቲሎም። ዝቕፅል ዕለት 29 ሕዳር እውን ወታደራት ኤርትራ ናይ ዝተቐትሉ ሬሳታት ከልዕሉ ንዝፈተኑ መሓዙትን ስድራን ከምዘጥቕዑ ኣምነስቲ ይገልፅ። ፀብፃብ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ህወሓት ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወፁ ገበነኛታት ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዩኒፎም ከዲኑዎም ኢሉ ብምግላፅ ኣብቲ ጭፍጨፋ ታራ ሓይልታት ኤርትራ ኣንኢሱዎ ኢሉ ኣምነስቲ ። ንመሰኻኽር ዘዘራረበ ኣምነስቲ ግን ኣብ ኣክሱም በብገዝኡ እናፈተሹ ዝቐትሉ ዝነበሩ ወታደራት ኤርትራ ንምዃኖም ናይ ኤርትራዊያን ጥራሕ ዝኾኑ ባህልውን ናይ ቋንቋ ምልክታትን ምርኣዮም ገሊፆም። ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ናይ ኣክሱም ጭፍጨፋ ምምርማር ምጅማሩ ከም ሰናይ ተበግሶ ብምቕባል ከምዚ ዝበለ ምርመራ ግን ብቕልጡፍ፣ብዝግባእን ኣድማዕን፣ነፃ፣ ዘይወገናውን ብግልፅን ዓለምለኸ ደረጃ ዘማልአን ምርመራ ይሓትት ይብል።ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ንዞም መትከላዊ ኣገባባት ስለዘየማልእ እቲ ውፅኢት ተኣማኒ ኣይኮነን ኢሉ። ናይ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ውፅኢት ምርመራ ዝሕብሮ ነገር ንናይ ኣክሱም ጭፍጨፋ ከምኡ እውን ኣብ ትግራይ ንዝተፈፀሙ ካልኦት መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ብናይ ውሽጢ ዓዲ መፍትሕታት ዘይክኣል ምዃኑ እዩ ኢሉ።ኢትዮጵያ ነቲ ጭፍጨፋ ብዓለምለኸ ሕጊ መሰረት ብብቕዓት ኣይምርመረትን ይብል።ስለዝኾነ ድማ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ንቕድሚት ክኽሰሱ ንዝኽእሉ መረዳእታታት ናይ ምእካብን ናይ ምዕቃብን ስልጣንን ዓቕምን ዘለዎ ነፃ ዓለምለኸ ወይ ዞባዊ ምርመራ ክግበር ደጊሙ ፃዊዕቱ የቕርብ ይብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል። ብኻሊእ ወገን Human RightsWatch ዝተብሃለ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ዘውፅኦ መልሲናይ ኢትዮጵያ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ኣክሱም መብዛሕቲኦም ዝተቐትሉ ኣንፃር ወታደራት ኤርትራ ይዋግኡ ዝነበሩ እምበር ስቪላይ ኣይኮኑን ምባሉ ብምዝኽኻር እቲ መግለፂ ዕሽሽ ዝበሎ ሓቂ ግን ሓይልታት ኢትዮጵያ ነታ ከተማ ኣብ ዝተቖፃፀርሉ ሰሙን ዝነበረ ሰፊሕ ዘረፋን ካብ 28 ሕዳር ድሕሪ ስዓት ጀሚሩ ክሳብ 29 ሕዳር 2020ኣ\\ፈ ኣብ ውሽጢ 24 ስዓታት ብሓይልታት ኤርትራ ዝተፈፀመ ዘስካሕክሕ ጭፍጨፋን እዩ ኢሉ። ድሕሪ እቲ ግጭት ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 24 ስዓታት ንብርክት ዝበሉ ነበርቲ ብኣሰቃቒ ኩነታት ዝቐተልሉ፣ንስቪላት ኣብ ገዝኦም ዝቐተልሉ፣ኣብ ጎደናታት ዝቐተልሉ፣ገለ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ደቂ ተባዕቲዮ ዝቐተልሉ ምቕታሎም መንግቲ ኢትዮጵያ ስቕታ ዝመረፀሉ ክገልፅ ኣለዎ ይብል Human Rights Watch። ናይ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ናይ ኣክሱም ምርመራ ውፅኢት ዝሕብሮ እንተሃለወ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ወፃእን ዞባውን መሻርኽቲ ጠንካራ፣ገለልተኛ ዝኾነ ምርመራ ምክያድ ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ብኣማእቲ ዝቑፀሩ ግዳያትን ስድርኦምን ፍትሒ ዝረኽብሉ ብሕታዊ መንግዲ እዩ ይብል እቲ ዓለምለኸ ተሓላቒ መሰላት። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ናይ ኢትዮጵያ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ብዛዕባ ኣክሱም ዘውፅኦ ውፅኢት ምርመራ ስዒቡ ናይ ኤርትራ ምንስቴር ሓበሬታ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብቅድሚ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝዘርግሕዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ‘’ናይ ኢትዮጵያ ፌደራል ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ንኽልተ ኣዋርሕ ዝዘለቐ፣ሰፊሕን ኣብቲ ቦታ ብኣካል ብምርካብን ዘካየዶ ዝተምሃዘ ክስታት ‘’ናይ ኣክሱም ጭፍጨፋ’’ ምውፅኡ ብምግላፅ ኣመንስቲ ኢንተርናሽናል፣ህይወማን ራይትስ ዎችን ንዕኦም ዝመስሉን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘካይድዎ ሕማቕ ወፍሮም ዝተቓልዐሉ እዩ’’ ኢሎም። ናይ ኢትዮጵያ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ከተማ ኣክሱም ብሰራዊት ምክልኻልን ወታደራት ኤርትራን ንፁሃን ተቐቲሎም ተባሂሉ ንዝቐረበ ክሲ ቤት ፅሕፈቶም ንኣስታት ኽልተ ኣዋርሕ ክምርም ከምዝፀንሐ ዝገለፁ ምኽትል ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣቶ ፈቃዱ ፀጋ ‘'ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ዝተፃረየ መረዳእታ ብሓይልታት ምክልኻል ዝተቐተሉ ሽዱሽተ ሰባት እዮም ኢሎም።ካብቶም ሽዱሽተ ድማ እቶም ሓሙሽተ በከቢድ ብረት ሓደ ክኣ ስዓት እቶ እቶ ብምጥሓሱ ዝተቐተለ፣93 ሰባት ድማ እናተዋግኡ ዝተቐትሉ እዮም ምባሎም ምፅብፃብና ይዝከር። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/amnesty-international-and-human-rights-watch-rejected-ethiopia-attorney-general-findings-on-axum-report\/5889590.html"} {"headline":"ደቂ ኣንስትዮ ከተማ ከረን ዝቐሰምኦ ሞያ ብቁጠባ ነብሰን ንኽኽእላ ከምዝሓገዘን ገሊጸን","content":"ብሃማመተኤ ዞባ ዓንሰባ ዝተፈጠረልና ሞያዊ ስልጠና ምንጪ ቁጠባ ብምርካብ መነባብሮና ኣብ ምምሕያሽ ሓጊዙና ክብላ ተጠቀምቲ ናይቲ ስልጠና ዝኾና ደቂ-ኣንስትዮ ከተማ ከረን ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪበን። \"ዝቐሰምክዎ ሞያዊ ስልጠና ፡ነብሰይ ክኢለ ንካልኦት ከማይ ደቂ ኣንስትዮ ክምህር ሓጊዙን\" ዝበለት መምህር ኣፍራሕ ኣድም ካልኦት’ውን ተመሳሳሊ ዕድል ክረኽባ ዘለዋ ተስፋ ገሊጻ። ናይ ካይላ ሞያዊ ስልጠና ኣብ ምውሳድ ትርከብ መንእሰይ ቤተኤል ኣፈወርቂ ብወገና ደቂ ኣንስትዮ ካብ ገዝአን ወጺኤን ዝኾነ ሞያ ቀሲመን ነብሰንን ስድራቤተነን ከመሓይሻ መኺራ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B0%E1%89%82-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AE-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%A8%E1%88%A8%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%88%B0%E1%88%9D%E1%8A%A6-%E1%88%9E%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%89%81%E1%8C%A0%E1%89%A3-%E1%8A%90%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8A%BD%E1%8A%BD%E1%8A%A5%E1%88%8B-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%98%E1%8A%95-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B8%E1%8A%95\/5889550.html"} {"headline":"አቡነ ቀርሎስ ሓሙሻይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኮይኖም ምምራጾም ተሓቢሩ","content":"ኣቡነ ቀርሎስ 5ይ ፓትሪያርክ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ኤርትራ ኮይኖም ምምራጾም ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተሩ ሓቢሩ'ሎ። እቲ ሎሚ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ምምራጽ ፓትሪያርክ ፥ ወከልቲ ኣብያተክርስትያናት ኣብ ዝተረኽብሉ ንስርዓት መምርሕታትን ቅዱስ ሲኖዶስ ተኸቲሉ ዝተፈጸመ ምዃኑ'ውን ጠቒሱ'ሎ። ብዛዕባ ኩነታት'ቶም ዝጸንሑ ነባር ፓትሪያርክ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ዝተገልጸ ነገር የለን::","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A0%E1%89%A1%E1%8A%90-%E1%89%80%E1%88%AD%E1%88%8E%E1%88%B5-%E1%88%93%E1%88%99%E1%88%BB%E1%8B%AD-%E1%8D%93%E1%89%B5%E1%88%AD%E1%8B%AB%E1%88%AD%E1%8A%AD-%E1%8A%A6%E1%88%AD%E1%89%B6%E1%8B%B6%E1%8A%AD%E1%88%B3%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%89%A4%E1%89%B0%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%AE%E1%8B%AD%E1%8A%96%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%AB%E1%8C%BE%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5889520.html"} {"headline":"መበል 1442 ዒደ-ኣልፈጥር ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተኸቢሩ ውዒሉ","content":"መበል 1442 ዒደ-ኣልፈጥር ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሎሚ ተኸቢሩ ውዒሉ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስታድየም ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ሰላት፥ መልእኽቲ ዘሕለፉ ፕረዚደንት ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሙፍቲ ሓጅ ኢድሪስ፥ ሕብረተሰብ ሙስሊም ንዝተጸገሙ ወገናት ምሕጋዝ ናይ ሃይማኖታዊ ኣስተምህሮ ግዴታ'ዩ ኢሎም። ወርሒ ሮመዳን፡ ኣብ ሙስሊም ማሕበረሰብ ናይ ሰላም ናይ ፍቕሪ ናይ ምትሕልላይን ሓቢርካ ምንባርን ወርሒ`ዩ ዝበሉ ሙፍቲ ኢትዮጵያ፡ ብሓድነትና ደው እንተኢልና ጸላኢ ቀዳድ ስለዝስእን፡ ሓድነትና ኣሐይልና ፈተውቲ ሰላም ህዝቢ ምዃና ብተግባር ክነመስክር ይግባእ ኢሎም። ምኽትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ብወገና- ናይ እንቋዕ ኣብጽሓኩም መልእኽቲ ድሕሪ ምትሕልላፍ፡ ኣብ እዋን ጾም ሮመዳን ዝተዓሙ ሰናይ ተግባራት ብዝሓየለ ደረጃ ክቕጽሉ ሓቲታ። ምኽትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ\"ናይ ሓባር ክብርታትናን ውሽጣዊ ሓድነትናን ኣትሪርና፡ ብኹሉ ሸነኽ ንዝግበረልና ጸቕጢ ክንከላኸል ኣለና\" ኢላ ። ብኻልእ ወገን ኣብ ኤርትራ`ውን ኣብ ምልእቲ ሃገር ዒድልፈጥር ብልዑል ደረጃ ተኸቢሩ ምውዓሉ ተፈሊጡ`ሎ። እቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ሰላት-ንመምርሕታት ኮቪድ 19 ዝተኸተለ ምንባሩ ዝጠቐሰ ሚኒስትር ዜና የማነ ገብረመስቀል፡ ተተካኢ ሙፍቲ ኤርትራ ሸኽ ሳሊም ኢብራሂም ንኣመንቲ ምስልምና ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ብሓፈሻ ሰናይ መልእኽቶም ምትሕልላፎም ጠቒሱ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%A0%E1%88%8D-1442-%E1%8B%92%E1%8B%B0%E1%88%8D%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%88%89%E1%8A%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%89%A2%E1%88%A9-%E1%8B%8D%E1%8B%92%E1%88%89\/5889517.html"} {"headline":"ፕረ.ጊኒ ኣልፋ ኮንደ ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ የካይድ ኣሎ","content":"መራሒ ጊኒ ኣልፋ ኮንደ ሎሚ ሓሙስ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣስመራ ተራኺቦም:ተዘራሪቦም። መራሒ ጊኒ ኣልፋ ኮንደ ንናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ናብ ኤርትራ ምምጽኡ ብትዊተር ዝገለጸ ሚኒስትር ዜና ኣቶ የማነ ገብርመስቀል፡ ብዛዕባ ምሕያል ክልቲኣዊ ዝምድናን ንኽልቲአን ሃገራት ኣብ ዘገድሱ ኣህጉራዊ ጉዳያትን ከምዝዝትዩ ሓቢሩ`ሎ። ፕረዚደንት ጊኒ ኣልፋ ኮንደ ዝሓለፈ ዓመት`ውን ኣብ ምጽዋዕ ምብጻሕ ኣካይዱ ኔሩ`ዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8C%8A%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%8D%8B-%E1%8A%AE%E1%8A%95%E1%8B%B0-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8B%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%88%8E\/5889507.html"} {"headline":"87 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ትግራይ ናይ መግቢ ሓገዝ ከምዘድልዮ ትካል ሕ\/ሃ ሓቢሩ","content":"ምብጻሕ ሰብኣዊ ረድኤት ትግራይ ገለ ጽቡቕ ዜና ክርኣዮ ምጅማሩ ዝገለጸ ኣብ ኢትዮጵያ ቤትጽሕፈት ምውህሃድ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት(ኦቻ)፡ እቲ ኩነታት ገና ዘይርጉእን ክትንበዮ ዘጸግምን ምዃኑ ጠቒሱ። ኣብ ቀረባ መዓልታት ብወተሃደራዊ ሓይልታት ዝተራእየ ምዕጻው መንገዲ፡ ኣብቶም ዝያዳ ተጠቃዕቲ ከባብታት ገጠር ረድኤት ንምብጻሕ ከምዘጸገመ ዝግልጽ ኦቻ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ፡ማእከላይ- ምብራቕ፡ ደቡባዊ ምብራቕን ደቡባዊ ዞባን ዕጥቃዊ ተጻብኦታት ምንባሩ`ውን ሓበረታ`ሎ ኢሉ። ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ግንቦት 3- ካብ መንጎ ህጹጽ ረድኤት ክበጽሖም ዝተሓስበ 3 ሚልየን፡ 347 ሺሕ ጥራይ በጺሕዎም ዝበለ ኦቻ፡ ካብ መንጎ 5.2 ሚልየን ዝግመት ህዝቢ ትግራይ፡ 87 ሚእታዊት ናይ መግቢ ሓገዝ ዘድልዮ`ዩ ኢሉ።\\n\\nካብ 27 መጋቢት ክሳብ 5 ግንቦት ድማ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ካልኦት መሻርኽትን፡ ንልዕሊ 1.2 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ናይ መግቢ ረድኤት ከምዝዓደሉ`ውን እቲ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ጠቒሱ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%B5%E1%88%8D%E1%8B%AE-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5889497.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ መቐለ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ ገለ ቦታታትን ኣብያተ ዕዩን ምጅማሩ ተሓቢሩ","content":"ኣብ ከተማ መቐለ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ኣብ ሓደ ሓደ ሆቴላት: ትካላት ምግባረ ሰናይን መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮን ጀሚሩ`ሎ:: ርእይቶኦም ዝገለፁ ገለ ነበርቲ እታ ከተማ ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርኔትን ኣብ ዝበዝሕ ከባቢታት ትግራይ ሐዚ እውን ዕፅው ምኻኑ ገሊፆም:: ኢትዮ ቴሌኮም ብወገኑ ኣብቲ ክልል ብዙሓት ከተማታት ናይ ጽገና ስራሕ​ይካየድ ምህላው ብምሕባር​ ሎሚ ሓሙስ ድማ ኣገልግሎት ተንቀሳቓሲ ስልኪ ከምዘጀመረ ገሊፁ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%88%E1%88%88-%E1%89%A6%E1%89%B3%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AB%E1%89%B0-%E1%8B%95%E1%8B%A9%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8C%85%E1%88%9B%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5889492.html"} {"headline":"ተጥቃምነት ዓይኒ ምድሪ ኣብ ገጠራት ኤርትራ ብ58% ከምወሰኸ ተገሊጹ","content":"ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሸፈነ ህላወን ተጠቃምነትን ዓይኒ-ምድሪ ኣብ ገጠራት ብ58% ከምዝወሰኸ ገሊጹ። ብሜላ ኮም ዝመርሖ ሓባራዊ ጽሬት ተጠቃምነት ዓይኒ-ምድሪ ካብ 2% ናብ 60% ከምዝዓበየ ሓላፊ ኣሃዱ ጽሬትን ንጽህናን ኣቶ ኣብርሃም ምላሽ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጹ።ብደረጃ ዞባ እቲ ሸፈነ ኣብ ዞባ ማእከል 97% ኣብ ዞባ ደቡብ ከኣ 40% ከምዝኾነ ዝሓበረ ኣቶ ኣብርሃም ነዚ ጋግ ንምጽባብ ይስራሕ ከምዘሎ ኣረዲኡ። ጉዳይ ጽሬት ከተማታት ምስ ማስተር ፕላንን ካልእ ረቛሒታትን ዝተኣሳሰር ብምዃኑ ምስ ዝምልከቶም ወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላት በውህደት ንምስራሕ ዘኽእል መርሓ-ጎደና ንምድላው መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ ኣቶ ኣብርሃም ሓቢሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%8C%A5%E1%89%83%E1%88%9D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8B%93%E1%8B%AD%E1%8A%92-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%AA-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%88%E1%8C%A0%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%A558-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%B8-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9-\/5888261.html"} {"headline":"ኣሜሪካ:ኢትዮጵያ ንዝመጽእ ምርጫ ምቹእ ኩነታት ከተዳለው አለዋ ኢላ","content":"ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቀራረበሉ ዘሎ እዋን፡ ኣሜሪካ ሓያል ደሞክራስያውነት ኢትዮጵያ ከምትድግፍ ኣፍሊጣ`ላ። ናጻ ርትዓዊን ተኣማንን ምርጫ ኣብ ምቹእ ሃውሃው ምርጫ ጥራይ ክካየድ ከምዝኽእል`ውን ትገልጽ። እዚ መግለጺ ዝስማዕ ዘሎ፡ ኣብ እዋን ሰብኣዊ ቅልውላውን ግጭትን ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ`ዩ። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ኣቐድም ኣቢሉ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝኣተውኦ ቃል ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ብቕልጡፍን ክጻረየሉ ብዝኽእል መንገድን ክወጽእ ደፊኡ ኔሩ`ዩ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝሓለፈ መጋቢት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኤርትራ ሓይልታታ ካብ ትግራይ ክተውጽእ ተሰማሚዓ`ያ ኢሉ ኔሩ `ዩ- ድሕሪኡ`ውን ናብ ኤርትራ ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ተራኺቡ ኔሩ። እንተኾነ ኤርትራ ሰራዊታ ክትስሕብ ካብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ መረጋገጺ`ኳ እንተተዋህበ፡ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ግን እቲ ምንስሓብ ከምዝተገብረ መረዳእታ የለን ኢሎም ኣለዉ። ኢትዮጵያ ንሰነ 5,2021 ሃገራዊ ምርጫ ንኽተካይድ ትቃለስ ኣላ- ኣብ ምዝገባ ኣድምጽቲ ጸገማት የጋጥማ`ሎ። እቲ ሓፈሻዊ ምርጫ ዝተናውሐ ብምኽንያት ዝነበረ ስግኣት ኮቪድ 19`ዩ። ምምሕዳራዊ ምርጫታት ከተማ ኣዲስ ኣበባን ድረዳዋን ንሰነ 12 ተመሓላሊፉ`ሎ። ወሃቢ ቃል- ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነድ ፕራይስ \"ጥጡሕ ሃዋህው ምርጫ ክህሉ- መንግስቲ ኢትዮጵያ- ናይ ምእካብ ናይ ምዝራብ-ተሳትፎ ፖለቲካን ዕድላት ኢንተርነትን ሓበረታን መሰላት ከኽብር ኣለዎ\" ኢሉ ። ኣስዒቡ \" ፓርትታት ፖለቲካ ድማ ጎንጺ ከወግዱን፡ ሓይልታት ጸጥታ ድማ ካብ ሓይሊ ምጥቃም ክቑጠቡ ይግባእ\" ኢሉ። ከምኡ`ውን \"ኣብ እዋን መስርሕ ምርጫ ጎንጽታት ንምንካይ ዝዓለመ፡ ማሕበረ-ኮማዊ ዘተ ዝሰረቱ ልዝብ ንምትብባዕ ምስ ኣህጉራዊ መሻርኽቲ ተቐራሪብና ንሰርሕ ኣለና\" ኢሉ። ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እቲ ምርጫ በቲ ዘሎ ኩነታት ክካየድ ኣለዎ ኢሉ ዝኣምን እንተኾይኑ ዝበሎ ነገር የለን። ኣብ ክልል ትግራይ ምርጫ ክተካይድ ዝክኣል ኣይኮነን ዝበለ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣመሪካ ዝነበረ ደቪድ ሺን፡ ካብ ትግራይ ወጻኢ`ውን ንሰነ 5,2021 ምርጫ ንምክያድ ገለ ስክፍታት ኣሎ ኢሉ። ኣብ ክልል ትግራይ ኣብዚ እዋን`ዚ ምርጫ ከምዘይካየድ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ`ዩ። ጎንጽን ገለ ገደባት ንናይ ደገ ተዓዘብትን ናብቲ መስርሕ ምርጫ ገለ ሕቶታት ኣልዒሉ ኔሩ`ዩ። ሕብረት ኤውሮጳ ተዓዘብቲ ምርጫ ናብ ኢትዮጵያ ንምልኣኽ ሰሪዝዎ`ኳ እንተነበረ ሕጂ ግን ጉጅለ ክኢላታት ናብቲ ምርጫ ክልእኽ ከምዝወሰነ ካብ ኢትዮጵያ ይስማዕ ኣሎ። ትማሊ ሰኑይ፡ ሓደ ካብ ብክልቲኡ ፓርቲ ዝቖመ ጉጅለ ኣባላት ኮንግረስ ዝወጸ መግለጺ፡ቀጻሊ ህላወ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ብዓሚቕ ከምዘሻቕሎ ይገልጽ። ኣቦ-መንበር ኮሚቴ ጉዳያት ወጻእ ግሪጎሪ ሚክስ ላዕላዋይ ኣባል`ታ ኮሜቴ ሚካኤል ምካውልን\"ናብ ነባሪ ምቁራጽ ተጻብኦታትን ኩሉ ሓቆፍ ፖለቲካዊ ልዝብን ዝወስድ ሓደ መንገዲ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ኣይርከብን፡ ኣብ ጅምላዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ትግራይ ኢድ ከምዘለዎም ዝእመኑ ሓይልታት ኤርትራ፡ ንምፍታሕ`ቲ ግጭት ዓቢይ ዕንቅፋት`ዩ\" ይብሉ ። ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘይኮነ ካልእ ሓገዝ ደው ምባላ ከምትቕጽል- ንሱ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ትግራይ ግፍዕታት ከምዘብቅዕ ንምግባር ዝያዳ ክገብር ንምድፋእ ምዃኑ እቲ መግለጺ ይገልጽ። እንተኾነ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ዝህቦ ካልእ ሰብኣዊ ሓገዛት ምሃቡ ክቕጽል`ዩ። ኔድ ፕራይስ\"ንኢትዮጵያ ረዲኤት ኣብ ንሓስበሉ እዋን- ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮ ህዝቢ ትግራይ ተወሳኺ ሸኸም ክንፈጥረሉ ኣይንደልን ኢና\" ይብል ። ንሱ ኣስዒቡ ቀጻሊ ስጉምትታት ኣብ ንሓስበሉ እዋን ክንሕግዞም ዝክኣለና ምግባርና ክንቅጽል ኢና ኢሉ። ቅልውላው ክልል ትግራይ ኣብ ኣኼባ ሚኒስትራት ወጻኢ ጉጅለ 7`ውን ተዘትይሉ`ዩ። እቲኣኼባ ሚኒስትራት ወጻኢ ጉጅለ 7 ዘውጽእዎ መግለጺ ኩሎም ወገናት ተጻብኦታት ብዝቐልጠፈ ደው ከብሉ፡ ሓለዋ ሲቪላት ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ኣህጉራዊ ሕግን ናጽነት ሚድያ፡ ከም ጾታዊ በደልን ካልኦት ግህሰታትን ዝፈጸሙ ድማ ተሓተቲ ይኹኑ ይብል ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%8A%A5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%88%9D%E1%89%B9%E1%8A%A5-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%8B%B3%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%8A%A0%E1%88%88%E1%8B%8B-%E1%8A%A2%E1%88%8B-\/5888249.html"} {"headline":"ካብ ቤንሻንጉል ክልል ዝተመዛበሉ ዝተዓቕቡሉ ቦታ ብሓደጋ ውሕጂ ጉድኣት ከምዘጋጠሞ ተገሊጹ","content":"ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ተመዛቢሎም ኣብ ዞባ መተከል ራንች ኣብ ዝተባህለ ግዚያዊ መፅለሊ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ብሓደጋ ውሑጅ መጽለሊኦም ብምፍራሱ መዕቖቢ ከምዝሰኣኑ ገሊፆም። ናይ ክልል ኣምሓራ ምክልኻል ሓደጋን ውሕስነት መግብን ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ፃዕርታት የካይድ ኣለኹ ኢሉ ኣሎ። ካብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ተመዛቢሎም ኣብ ዞባ መተከል ጊዝያዊ መፅለሊ ራንችን ካብኡ ወፃእን 58,555 ኣብ ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣዊ ወረዳ ጓንጓ 21,000 ብድምር ልዕሊ 79,000 ተመዛበልቲ ከምዝርከቡን እቲ ብዝሒ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎን ተፈሊጡ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%89%A4%E1%8A%95%E1%88%BB%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%8D-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%89%95%E1%89%A1%E1%88%89-%E1%89%A6%E1%89%B3-%E1%89%A5%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B-%E1%8B%8D%E1%88%95%E1%8C%82-%E1%8C%89%E1%8B%B5%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%9E-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5888183.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ዓቃብ ሕጊ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ግብረሽበራዊያን ኢሉ ንዝጸውዖም ውድባት ዝምልከት መብርሂ ሂቡ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጲያ ሓደጋ ክፈጥሩ ፀኒሖም ተባሂሎም ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ግብረሽበራዊያን ኢሉ ዝሰመዮም \"ሸኔ ክብሉ ዝፀውዑዎን ህወሓትን\" ብዝምልከት ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል መብርሂ ሂቡ ። ምኽትል ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ኣቶ ፍቃዱ ፀጋ ግብረሽበራዊያን ተባሂሎም ዝተበየኑ \"ሸኔ እናበሉ ዝፅዉዕዎን ህወሓትን\" ኣመልኪቶም ንመሓውራት ዜና መብርሂ ሂቦም። ኣቶ ፍቃዱ \"ብመሰረት እቲ ሕጊ ግብረ ሽበራግብረሽበራዊያን ተባሂሎም ምስ ንዝተበየኑ ኣካላት ሓገዝ ዝገብሩሎም ሰባትን ምስኦም ዝሰርሑን ተሓተቲ ይኾኑ\" ክብሉ ኣፍሊጦም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%93%E1%89%83%E1%89%A5-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%8A%A8%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%BD%E1%89%A0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%88%89-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8B%8D%E1%8B%96%E1%88%9D-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%82-%E1%88%82%E1%89%A1-\/5886800.html"} {"headline":"መግለጺ ፈጻሚ ስራሕ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ","content":"ኣብ ቀረባ እዋን ፈፃሚ ስራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኮይኖም ዝተመዘዙ ዶክተር ኣብርሃም በላይ፣ ኣብ ትግራይ፣ ህዝቢ መሰረት ዝገበረ ሰላም ንምስፋንን ምምሕዳር ንምህናፅን፣ ህዝቢ እቲ ክልልን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ድጋፍ ንክህቡ ፀዊዖም።\\n\\nብቐዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ፈፃሚ ስራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ክኾኑ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተሾሙ ዶ\/ር ኣብርሃም በላይ ኣብ እዋናዊ ጉዳይን ቐፃሊ ትልሞምን አማእኪሎም ብቋንቋታት ትግርኛን ኣምሓርኛን ኣብ ዘውፅእዎ ናይ ፅሑፍ መግለፂ፣ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ሰላምን ምርግጋእን ንምምላስ ክሕግዝ ይኽእል እዩ ዝበልዎም ሓሳባት ገሊፆም።\\n\\nዶ\/ር ኣብርሃም ኣብ መግለፂኦም ካብ 24 ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ብዝተፈጠረ ጎንፂ፣ ብርክት ዝበለ ሰብኣዊን ንዋታውን ዕንወት ወሪዱ፣ ሞት፣ ጉድኣት ኣካል፣ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ምምዝባልን ከቢድ ጉድኣት ስነ-ልቦናን ስነኣእምሮን፣ ዕንወትን ምምንዛዕ ውልቃዊን መንግስታዊ ንብረትን ኣጓኒፎምዎ እዮም ኢሎም።\\n\\nንሶም ብተወሳኺ\"ኣብ ዝሓለፋ ሽድሽተ ኣዋርሕ፣ ኣብ ትግራይ ብዝተፈፀሙ መጥቃዕትን፣ ብዕጡቓት ሓይልታት ተፈፂሞም ዝተባህሉ ስጉምትታትን፣ ደም ብዙሓት ንፁሃትን ገዛእ ርእሶም ምክልኻል ዘይኽእሉን ዜጋታት ፈሲሱ፣ ኣካሎም ጎዲሉ፣ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ተፈፂሙ፣ ህፃናት፣ መንእሰያትን ዓበይትን ደቂኣንስትዮ ኣሕዋትን ኣደታትን ተደፊረን፣ ብቢልዮን ዝግመት ገንዘብ ዝወፀሎም ትካላት መንግስትን ውልቀ ሰባትን (ትካላት ጥዕናን ትምህርትን ሓዊሱ) ዓንዮምን ተጓሕጊሖምን፣ ተፃዒኖም ተወሲዶም፣ ካልእ ይትረፍ ጠለበጊዕን ከብትን ሓረስቶት፣ ቀለብ ዕለትን ኣቑሑ ገዛን ከይተረፈ ተጓሕጉሑ እዩ ክብሉ ዶክተር ኣብርሃም ኣብ መግለፂኦም ሓቢሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8D%88%E1%8C%BB%E1%88%9A-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8C%8A%E1%8B%9D%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-\/5886683.html"} {"headline":"ሰለስተ ውድባት ክልል ትግራይ ፡ ህወሓት ኣሸባሪ ተባሂሉ ምስያሙ ተቓዊሞም","content":"ሰለስተ ውድባት ክልል ትግራይ ፡ ህወሓት ኣሸባሪ ተባሂሉ ምስያሙ ተቓዊሞም:: ሳልሳይ ወያነ: ባይቶናን ውድብ ናፅነትን ዝተባህሉ ውዱባት ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ \"ንህወሓት ኣሸባሪ ኢልካ ምስያም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ተጋሩ ሊሂቃንን ጨፍጫፍ ንምፍፃም ተሓሲቡ ዝወፀ ናይ ሕጊ ከለላ እዩ\" ኢሎም:: ኣብቲ ጉዳይ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ : \"ህዝብን ውድብን ዝተፈላለዩ እዮም: እቲ ዝወፀ ኣዋጅ ንህወሓትን ኣባላቱን እምበር ንኩሉ ህዝቢ ዝምልከት ከምዘይኮነ ግልፂ እዩ\" ዝብል ምላሽ ሂቡ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%B8%E1%89%A3%E1%88%AA-%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%82%E1%88%89-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8B%AB%E1%88%99-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8A%E1%88%9E%E1%88%9D\/5885191.html"} {"headline":"'ዝመጽእ ሃገራዊን ክልላዊን ምርጫ ኢትዮጵያ ዝተፈልየን መጻኢ ዕድል'ታ ሃገር ዝውስንን'ዩ ' አማኻሪ ፖለቲካዊ ጉዳያት ቀ\/ሚ","content":"አማኻሪ ፖለቲካዊ ጉዳያት ቀ\/ሚ አብይ አሕመድ ዶ\/ር ፍስሃ ይታገሱ ኢትዮጵያ ኣብ’ዚ ቀረባ ተካይዶ ምርጫ፣ ብመንጽር ዓለምለኸ ኣሰላልፋን ጽልውኡን ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣሎ ካብ ዝበልዎ ‘ጽንፈኛነት’፣ ካብ ስሩዕ ምርጫ ዝተፈለየን ንናይ’ታ ሃገር መጻኢ ዕድል ዝውስንን እዩ ኢሎም ። ዶ\/ር ፍስሃ ነዚ ርእይቶ’ዚ ዝሃቡ፣ ኣብ’ቲ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሃዋሳ ዝተካየደ ምይይጥ እዩ። ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ተጽዕኖ ይፈጥሩ ዘለው፣ መእንታን ኢትዮጵያ ብርቱዕ መንግስቲ ከይህልዋ እዩ’ውን ኢሎም። አብ’ቲ መድረኽ ርእይቶ ዝሃቡ ምክትል ሚኒስትር ሳይንስን ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርትን ዶ\/ር ሳሙኤል ክፍሌ ብወገኖም \"ምርጫንምክያድ ዘኽእሉ ኩነታት ኣለው፣ ግን ስግኣታት’ውን ኣለው\" ኢሎም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%8A%A5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%8B%8A%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8D%E1%8B%A8%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8B%95%E1%8B%B5%E1%88%8D-%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%8B%8D%E1%88%B5%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8B%A9-%E1%8A%A0%E1%88%9B%E1%8A%BB%E1%88%AA-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%89%80-%E1%88%9A-\/5886661.html"} {"headline":"ግብረ መልሲ ንሕቶ ተመዛበልቲ ኣብ ጉዳይ 'መዓልቱ ዝሓለፎ'ዩ' ንዝብለዎ ቀረብ","content":"ኣብ ከተማ መቐለ ቤት ትምህርቲ ማይ ወይኒ ዘዕቆቡ ተመዛበልቲ፣ መዓልቱ ዝሓለፎ ፊኖን ዘይቲን ተቀሪቡልና ኢሎም ንዘልዐልዎ ሕቶ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ተላኢኹ፣ ጊዚኡ ዘይሓለፎ ምዃኑ ተረጋጊጹ ኢሎም ኣብ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ሓላፊ ጨንፈር ትግራይ ኣቶ ብርሃኑ መኮነን። እቲ ሪፖርት ማሕበር ቀይሕ መስቀል፣ ሰብኣዊ ስራሕቱ ብምፍጻም ናይ ነዊሕ እዋን ተመክሮ ዘለዎ ገባሪ ሰናይ ማሕበር እዩ ይብል ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%8A%95%E1%88%95%E1%89%B6-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B1-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%88%88%E1%8D%8E-%E1%8B%A9-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%88%E1%8B%8E-%E1%89%80%E1%88%A8%E1%89%A5\/5885347.html"} {"headline":"‘’ንህዝቢ ትግራይ ከብርሱዎ እዩ ድልየቶም’’ ፓትሪያሪክ ኦሮቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣቡነ ማቲያስ","content":"ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያሪክ ኣቡነ ማቲያስ ብዛዕባ ናይ ትግራይ ኵናት ኣብ ዝሃቡዎ ፈላማይ ሪኢቶ ንናይ ኢትዮጵያ ተግባራት ብበሊሕ ብምንቃፍ ምጥፋእ ዘርኢ ይፍፀም ኣሎ ኢሎም ከምዝኣምኑ ገሊፆም።''ንህዝቢ ትግራይ ከብርሱዎ እዩ ድልየቶም''ኢሎምዎ ኣለው።ዋና ፀሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣቡነ ዮሴፍ ናይቶም ፓትሪያሪክ ሪኢቶ ናይ ውልቂ ሪኢቶ እምበር ናይቲ ሲኖዶስ መርገፂ ኣይኮነን ኢሎም። ብኻሊእ ወገን ኣቡነ ማቲያስ ሎማዕንቲ ሶኑይ ምስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣማባሳደር ዩናይትድ ስቴትስ ተራኺቦም ምዝርራቦም እቲ ኤምባሲ ገሊፁ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብናይ ተንቀሳቓሲ ስልኪ \\ብሞባይል\\ ኣብዝተቐረፀ ቪዲዮ እቶም ብዓል ፀጋ ዕድመ ፓትሪያሪክ ቅድሚ ሎሚ ንሚሊዮናት ስዓብቶም ንምዝራብ ዝገበሩዎ ፈተነ ከምዝተዓፈነ ሓቢሮም።ንሶም ብትውልዲ ትግራዋይ እዮም። ናይ ትግራይ ግጭት ሻድሻይ ወርሒ ኣብ ዘቑፀረሉ ግዜ እዩ እዚ ቪድዮ ወፂኡ ዘሎ።ኣብ መንጎ ሓይልታት ኢትዮጵያን መሻርኽታን ናይ ትግራይ ሓይልታትን ብዝተኻየደ ውግእ ኣሽሓት ሰባት ተቐቲሎም ኣለው።ስቪላት ዒላማ ምዃኖም ዓሰርተታት መሰኻኽር ንኣሶሼትድ ፕረስ \\AP\\ገሊፆም ኣለው። ‘'ንህዝቢ ትግራይ ከብርሱዎ እዩ ድልየቶም’’ዝበሉ ንሶም ‘'ስለ ምንታይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ምጥፋእ ዘርኢ ንምእዋጅ ከም ዝደለዩ ንዓይ ግልፂ ኣይኮነን’’ኢሎም ብኣምሓርኛ ኣብ ዘሕለፉዎ መልእኽቲ።ምብራስ ኣብያተ ክርስቲያናት፣ ጭፍጨፋ፣ ብሓይሊ ምጥማይን ስርቅን ሓዊሱ ተፈፂሞም ዝተብሃሉ ግፍዕታት ዘርዚሮም። ‘’ናይ ህዝቢ ትግራይ ጌጋ ኣይኮነን።ምሉእ ዓለም ክፈልጦ ኣለዎ’’ኢሎም ብምስዓብ። ንሶም ‘’እዚ ሕማቕ እዋን ክሓልፍ ይኽእል እዩ’’ክብሉ ወሲኾም ገሊፆም።ዓለም ስጉምቲ ክወስድ እውን ፀዊዖም። መንግስታዊ መራኸቢ ማዕኸናት ናይ መንግስቲ ትረካ ኣብ ዘንፀባረቕሉን ናይ ውልቂ ጋዜጠኛታትን ትግራዎትን ምፍርራሕን ምንክልባትን ይፍፀሞም ኣብዘለሉን እዚ ሪኢቶ ካብ ኢትዮጵያ ዝለዓለ ኣካል ዝተውሃበ ውግዘት እዩ።ብተወሳኺ ደማዊ ናይ ብሄር ወጥርታትን 5 ሰነ 2021 ኣ\\ፈ ሃገራዊ ምርጫ ንምክያድ ኣብ እትቀራረብሉንን ግዜ ሓዊሱ ኢትዮጵያ ብዙሓት ቅልውላዋት ኣብ ዘጋጠምዋ ግዜ እዩ እዚ ቪዲዮ ዝወፅእ ዘሎ። ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ዝመደብሩ Bridgs of Hope ንዝተብሃለ ትካል ዝመርሑን ምስቶም ኣቡን ናይ ዕርክነት ምቅርራባት ዘለዎምን ዴኒስ ዋድሊ ንAP ኣብ ዝሃቡዎ ቃለ ምልልስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣዲስ ኣበባ ምስቶም ኣቡን ኣብዝተራኸብሉ እዋን ብታህዋኽ ነቲ ቪዲዮም ከምዝስኣሉዎ ገሊፆም። ‘’ኣይፎን ስልከይ ኣውፂአ ክትዛረቡ እንተደሊኹም ተዛረቡ’’ ኢለዮም ኢሎም ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብዚ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ምስ ኣተው።‘’ናይ ልቦም እዮም ኣፍሲሶም...ብሓቂ ኣዚዩ የሕዝን።ቅድሚ ሎሚ ገይረዮ ዘይፈልጥ ሕቑፍ ኣቢለዮም’’ክብሉ ገሊፆም። ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ቤተ ክርስቲያን ነቲ ቪዲዮንኣቡነ ማቲያስ ንህዝቢ ክወፅእ ምድላዮምን ዝሓለፈ ዓርቢ ኣረጋጊፆም ኣለው።እቶም ፓትሪያሪክ ካብ ስደት ምስ ዝተመለሱ ኣቡነ መርቆሪዮስ ብሓባር ኣብ ምግልጋል ይርከቡ። ‘’ብዙሕ ነገር ተዛሪበ እየ፤እቲ መልእኽቲ ክስማዕ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፈቐደን።ኣብ ክንድኡ ተዓፊኑን ሳንሱር ኮይኑን እዩ’’ ኢሎም ኣቡነ ማቲያስ ኣብቲ ቪዲዮ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ‘'ብዙሕ ኣረሜናዊ ተግባራት ይፍፀሙ ኣለው’’ኢሎም ንሶም ‘’ኣብ ትግራይ ይኸውን ዘሎ ግን ዝለዓለ ግፍዕን ጭካነን እዩ’’ኢሎም። እግዚኣብሄር ንኹሉ ክፈርድ እዩ እውን ኢሎም ብምውሳኽ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሞት ስቪላት ‘’ኣዚዩ ከምዝሓዘነ’’ብምግላፅ ንናይ ትግራይ መራሕቲ ነበር ብምኽሳስ ነገራት ናብ ስሩዕ ይምለስ ኣሎ ይብል። ንትግራዎት ምፍላይን ዒላማ ምግባርን ብሰፊሑ ይካየድ ኣሎ ንዝብል ግን ነፂጉዎ ኣሎ። መሰኻኽር ግን ሬሳታት ኣብ መሬት ተደርቢዩ ምርኣዮም፣ትግራዎት ናይ ኤርትራ ሓዊሱ ብሓይልታት ኢትዮጵያን ጥምረትን ከምዝተሓዙን ከምዝተባረሩን ደቂ ኣንስትዮ ፆታዊ መጥቓዕቲ ከምዝተፈፀመንን ንAP ተዛሪቦም ኣለው። ኣብያተ ክርስቲያን ናይ ጭፍጨፋ ዓውዲ እየን ኮይነን።ሓደ ዲያቆን ኣብ ኣክሱም ንAP ኣብ ዝ ሃቦ ቃል ኣብ ሕዳር ኣብ ቤት ክርስቲያንን እታ ከተማን ኣስታት 800 ሰባት ተቐቲሎም ብጃጃምላ ከምዝተቐበሩ ገሊፁ። ኣብ 1942 ኣ\\ፈ ዝተወለዱ ኣቡነ ማቲያስ ቅድሚ ሎሚ ብግልፂ ክዛረቡ ፀኒሖም እዮም።ኣብ 1980 ኣ\\ፈ ንኮምኒስታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ዝኾነኑ ፈላማይ መራሒ ቤት ክርስቲያን ብምዃን ‘’ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ክስደዱ ዝተገደዱ እዮም’’ብመሰረት ናይ ሕቡራት መንግስታት ወኪል ስደተኛታት። ብኻሊእ ወገን ፓትሪያሪክ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ዝሃቡዎ ሪኢቶ ናይ ውልቆም እምበር ንተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ዝውክል ኣይኮነን ክብል ቅዱስ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቶም ፓትሪያሪክ ዝሃቡዎ ሪኢቶ ብቅዱስ ሲኖዶስ ይኹን ብቀዋሚ ሲኖዶስ ዝርርብ ዝተገብረሉ ኣይኮነን ኢሎም ዋና ፀሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁእ ኣቡነ ዮሴፍ ብመሰረት ፀብፃብ እስክንድር ፍሬው። ሎማዕንቲ ኣብ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለፂ ብዙሓት መግለፂታት ዝተውሃቡን ዝወሃቡን ናይ ምልኣተ ጉባኤን ናይ ቀዋሚ ሲኖዶስ ኣወንታን ክረኽቡ ከለው ምዃኑን ናይቶም ቅዱስ ፓትሪያሪክ መግለፂ ኣወሃህባ ብዝምልከት ቅዱስ ሲኖዶስን ቀዋሚ ሲኖዶስን ከይወሰነ እቶም ቅዱስ ፓትሪያሪክ ብውልቆም ነታ ቤተ ክርስቲያንን ቅዱስ ሲኖዶስን ብምውካል መግለፂ ክህቡ ኣይኽእሉን ኢሎም። ‘’ስለዝኾነ ቅዱስ ፓትሪያሪክ ዝሃቡዎ መግለፂ ብውልቆም ዝ ሃቡዎ እምበር ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ ውሳነ ኣይኮነን’’ኢሎም። ናይ ኢትዮጵያ ኦሮቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ሰሊኹ ወፂኡ ኣብዝተብሃለ ቪዲዮ ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ ይካየድ ኣሎ ዝበሉዎን ናይ ኣረሜናዊነት ስራሕ ክብሉ ዝገለፁዎን ተግባር ኮኒኖም ኣለው። እቶም ዋና ፀሓፊ ኣብ ዝሃቡዎ ሪኢቶ እቶም ፓትሪያሪክ ዝሃቡዎ ሪኢትዮ ካብ ናይታ ቤተ ክርስቲያን ልሙድ ኣሰራርሓ ዝወፀን ዘይውክልን እዩ፤ዝምልከቶም ኣካላት እውን ነዚ ኣብ ግምት ከእትው እቶም ዋና ፀሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ፀዊዖም ኣለው። ‘’ኣብ ዝቕፅል ርኽበ ካህናት ቅዱስ ሲኖዶስ ብኣጀንዳ ዝዘራረበሉ ምዃኑ እናገለፅኩ እቶም ቅዱስፓትሪያሪክ ዝሃቡዎ መግለፂ ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ ውሳነ ዘይምዃኑ እናገለፅና እዚ እውን ናይ ዓለም መንግስታት፣ኣብ ውሽጥን ወፃእን ሃገር እትርከቡ ኢትዮጵያዊያን ከምኡ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ክፈልጡዎን ክግንዘቡዎን ይግባእ’’ ኢሎም። ብዝተኣሳሰረ ዜና ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዩናይትድ ስቴት ጊታ ፓሲ ምስ ፓትሪያሪክ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ተራኺበን ምዝርራበን ተገሊፁ።ኤምባሲ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ፌስቡክ ገፁ ከምዝገለፆ እተን ኣምባሳደርን ፓትሪያሪክን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታትን ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ሰብኣዊ ቅልውላውን ትግራይን እቶም ፓትሪያሪክ ኣብ ቀረባ ዝሃቡዎ ሪኢቶ ሓዊሱ ተዘራሪቦም ኣለው።እተን ኣምባሳደር እቲ ዝርርብ ብዝበለፀ ንቅድሚት ንምርይ ኣብቲ ኤምባሲ ኣብ ዝካየድ ኣኼባማሕበረሰብ እምነታት ክርከቡ ጋቢዘንኦም ኣለዋ። እቲ ናይ ሎማዕንቲ ዝርርብ ቅድሚ ኢሉ ዝተትሓዘ ወይ ምስ ናይቶም ፓትሪያሪክ ናይ ቀረባ ሪኢቶ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ግን ንፁር ኣይኮነን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A8%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%B1%E1%8B%8E-%E1%8A%A5%E1%8B%A9-%E1%8B%B5%E1%88%8D%E1%8B%A8%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8D%93%E1%89%B5%E1%88%AA%E1%8B%AB%E1%88%AA%E1%8A%AD-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%89%B6%E1%8B%B6%E1%8A%AD%E1%88%B5-%E1%89%A4%E1%89%B0-%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B2%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A1%E1%8A%90-%E1%88%9B%E1%89%B2%E1%8B%AB%E1%88%B5-\/5885281.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ ኣስታት 120 ኢትዮጵያዊያን ዓቐብቲ ሰላም ኣብ ሱዳን ዑቕባ ምሕታቶም ሓቢሩ","content":"ንክልል ትግራይ ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኢትዮጵያ ዝተዋፅኡ ኣብ ምኽባር ሰላም ተዋፊሮም ዝፀንሑ 120 አባላት ዓቐብቲ ሰላም ኣብ ሃገሮም ይፍፀም ዘሎ ዓሌታዊ ጎንፅታት ብምቅዋም ኣብ ሱዳን ዑቅባ ምሕታቶም ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ። እቲ ልኡኽ ብሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝቆመ ዓቓቢ ሰላም (UNAMID) ኣብ ዳርፉር ተልእኽኡ ከተግብር ዝፀንሐን ኣብ ታሕሳስ 31,2020 ተልእኽኡ ዛዚሙ ናብ ሃገሩ ክምለስ ዝነበሮን እዩ። ኣብ ሕቡራት ሃገራት ወሃቢ ቃል ዓቓቢ ሰላም ብኢሜል ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ከምዝ ሓበርዎ እዞም 120 ዝኾኑ ወተሃደራት ቅድም ክብል ልኡኻት ጥምረት ኣኽበርቲ ሰላም ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃ ንዳርፉር ኮይኖም ከገልግሉ ፀኒሖም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝነበሩ ምዃኖም ሓቢሩ። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት \/UNHCR\/ እቶም ተልእኽኦም ዝዛዘሙ ወተሃደራት ኣብ ሱዳን ዑቅባ ክወሃቦም ምሕታቶም ኣረጋጊፆም።ንድሕነቶም ክበሃል ግን ብንፁር ኣብዘይተገልፀ ቦታ ኮይኖም ምዕባለ ጉዳዮም ክከታተሉ እዮም ኢሉ። እቶም ዑቅባ ዝሓተቱ ሓይልታት ዓቐብቲ ሰላም ኩሎም ተወለድቲ ትግራይ ንምዃኖም ግን ዝበሎ ነገር የለን። እቲ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ፌደራል መንግስትን ነቲ ኽልል ከመሓድር ዝፀንሐ ሕዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ይካየድ ዘሎ ኲናት ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም ከባቢ 60 ሽሕ ድማ መነባብርኦም ገዲፎም ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ክስደዱ ገይሩ ። ሽልማት ኖቤል 2019 ዝወሰዱ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሕዋ ሃገር ንክልላት ኣምሓራ፣ኦሮምያ ፣ ቤንሻንጉል ጉምዝን ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ከባብታት እታ ሃገር'ውን ብሄር መሰረት ብዝገበረ ጎንፅታት ትሳቀ ኣላ ። ብሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝቆመ ዓቓቢ ሰላም(UNAMID) ካብ 2007 ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ'ዩ ኣብ ዳርፉር ዝተዋፈረ ኮይኑ: ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ድማ ከባቢ 8000 ዝፅግዑ ዝተዓጥቁን ሲቪል ሰራሕተኛታትን ነናብ ገዘኦም ከፋንው ጀሚሩ ።ውጥን እቲ ልኡኽ ኣብ ውሽጢ ሽድሽተ ኣዋርሕ ሙሉእ ብሙሉእ ክዛዝም እዩ። ዳርፉር ዓብላሊ ዓረባዊ መንግስቲ ዝመሓደር ዝነበረ ምምሕዳር በሽር ብምቅዋም ተፃብኦታት ዝገብሩ ዓመፅቲ ፅኑዕ ጎንፂ ዝካየደሉ ዝነበረ ከባቢ እዩ። በቲ ጎንፂ ከባቢ 300 ሽሕ ህዝቢ ክመውት ከሎ 2.5 ሚልየን ድማ ምዝንባሉ ይፍለጥ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-120-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%93%E1%89%90%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8B%91%E1%89%95%E1%89%A3-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%89%B3%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9-\/5885183.html"} {"headline":"ሓድሽ መራሒ ጫድ ፈላማይ ኣህጉራዊ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ","content":"ሓዲሽ መራሒ ጫድ ጀነራል ማሃማት ኢድሪስ ደቢ ናብ ኒጀር ፈላማይ ኣህጉራዊ ዑደቱ ኣካይዱ:: ድሕሪ ሞት ኣቡኡ ንጫድ ንምምራሕ ብወተሃደራዊ ሓይሊ`ታ ሃገር ስልጣን ካብ ዝውሃቦ ንድሓር እቲ ወዲ 37 ዓመት ሓዲሽ መራሒ ጫድ፡ ምስ ናይ ኒጀር ሓዲሽ ፕረዚደንት መሓመድ ባዞም ተራኺቡ ክዘራረብ መደብ ኣለዎ: ምኽንያት ድማ እቶም ንኣብኡ ዝቐተሉ ዕጡቓት ገሊኦም ናብ ኒጀር ሃዲሞም ዝብል መረዳእታ ስለዘለዎ`ዩ። ብኻልእ ወገን ተቓወምቲ ጫድ፡ እቲ ኣቡኡ ሒዝዎ ዝነበረ ስልጣን ንወዱ ክውሃብ ኣይነበሮን-ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ናይ ባይቶ ፕረዚደንት`ዩ ነቲ ቦታ ክሕዞ ኔርዎ ይብሉ። እንተኾነ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ተቓወምቲ ኣብ መንግስቲ ናይ ሓላፍነት ቦታ ተዋሂብዎም ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%92-%E1%8C%AB%E1%8B%B5-%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%85%E1%8C%89%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8B%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%88%8E\/5885139.html"} {"headline":"ፕረ.ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ኣስመራ ተራኺቦም: ተዘራሪቦም","content":"ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣስመራ መዕረፊ አጋይሽ ደንደን ንፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፌልትማን ተቐቢሎም:ኣዘራሪቦም ። ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ኣብ ዝዘግሕዎ መልእኽቲ ኣብቲ ንኣርባዕተ ስዓታት ዝተኻየደ ልዝብ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለው ሽግራት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበሩ ፃዕርታት ምስ ኣሜሪካ ብምትሕብባር ንምስራሕ ድልዊ ምዃኖም ኣስሚሮምሉ ኢሎም ። ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣምባሳደር ፌልትማን ብወገኖም ምምሕዳር ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይርኣዩ ብዛዕባ ዘለው ፀገማት ዘለዎ ምልከታ መብርሂ ሂቦም ኣለው ኢሎም ። ፍሉይ ልኡኽ ጀፍሪ ፌልትማን ሎሚ ዓርቢ ኣብ ሱዳን ከምዝኣተውን ካብ ሰንበት ጀሚሮም ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝበፅሑን ምንጭታት ጠቒሶም ኣለው። ፌልትማን ቅድሚ ናብ ኤርትራ ምጉዓዞም ኣብ ግብፂ ብምብፃሕ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ ሳመህ ሹክሪ ብዛዕባ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ከምዝተዘራረቡ ኤኤፍፒ ፀብፂቡ። እቶም ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለው ፀገማት ፍታሕ ኣብ ምንዳይ ዲፕሎማሲያዊ ፍታሕ ፃዕሪ ንምክያድ ኣብዚ ሰሙን ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምጋሾም ዝፍለጥ እዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8D%8D%E1%88%89%E1%8B%AD-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/5882486.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ ኣብ ኢትዮጵያ ንሰብኣዊ ረድኤት ዝውዕል 65 ሚልዮን ናይ ገንዘብ ሓገዝ ሂቡ","content":"ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ንሰብኣዊ ሐገዝ ዝውዕል 65 ሚልዮን ዶላር ሂቡ ። ካብዚ እቲ 40 ሚልየን ዶላር ንረዲኤት ኣብ ክልል ትግራይ ዝውዕል እዩ። \"ኩነታት መነባብሮን ህይወትን ኢትዮጵያ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ብሰንኪ ድርቅ እናዓነወን ህፃናት ብሕፅረት መግቢ ይሳቅዩ ኣለዉ \" ክብሉ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ማርክ ሎውኮክ ገለፂኦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%A8%E1%8B%B5-%E1%8A%A4%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8B%8D%E1%8B%95%E1%88%8D-65-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8C%88%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%89%A5-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%88%82%E1%89%A1-\/5882459.html"} {"headline":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣተሓሕዛ እሱራት ክልል ኦሮምያ ከምዘተሓሳስቦ ገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ሕጊ ንምኽባር ዝውሰድ ስጉምቲ ሕጊ ዝተኸተለ ክኸውን ኣለዎ ክብል ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ጸዊዑ ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ኦሮሚያ ኣብ ዝርከቡ 21 ኣብያተ ማእሰርቲ ናይ እሱራት ኣተሓሕዛ ብዝምልከት ንሰለስተ ኣዋርሕ ክትትል ገይረ ኢሉ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት እሱራት ከምዘተሓሳሰቦ ሓቢሩ። እቲ ኮሚሽን ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ብፍላይ ቕትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዝኣተው ተጠርጠርቲ ሓዊሱ ዝተታሓዙ ሰባት በዝሒ ዘለዎም እሱራት ዝርከቡሎም ኣብያተ ማእሰርቲ ተደጋጋሚ ጥርዓናት ዝቕርቡ እዮም ኢሉ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ 21 ዝተመረፁ ኣብያተ ማእሰርቲ ምስ እሱራትን ሓለፍቲ ናይቶም ኣብያተ ማእሰርትን ምዝርራቡን ንዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ እቲ ክልል ብምፍላጥ መልሲ ክወሃቦም ምሕታቱን ገሊፁ ኣሎ።ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ሰባት ኣተሓሕዛ ኣዚዩ ዘተሓሳስብን ቕልጡፍ ምላሽ ዘድልዮን እዩ እውን ኢሉ ኣሎ። ካብ ሰበስልጣን ክልል ኦሮሚያ መልሲ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%95%E1%8B%9B-%E1%8A%A5%E1%88%B1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%B3%E1%88%B5%E1%89%A6-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5882454.html"} {"headline":"ሃገራዊ ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ምዝገባ መረጽቲ ኣብ ገለ ክልላትን ክልተ ምምሕዳር ከተማታትን ምንውሑ ገሊጹ","content":"ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ንምዝገባ መረፅቲ መብዛሕቲኦም ክልላትን ክልተ ናይ ከተማ ምምሕዳራትን ኣናዊሑ። ቦርድ ምርጫ ግጭት ኣብ ዝነበሮም ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ብናይቶም ከባቢታት ሓይልታት ፀጥታ እናተሓገዘ ሎሚ ዓርቢ ምዝገባ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ ኣሎ። ብመሰረት ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ዝወፀ ኣሃዝ ኣብ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ድምፂ ንምሃብ ትፅቢት ካብ ዝግበረሎም 40 ሚሊዮን መረፅቲ እቶም 28.7 ሚሊዮን ምምዝጋቦም ወግዓዊ ኮይኑ ኣሎ። ቦርድ ምርጫ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ካብ ክልላት ዓፋርን ሶማሌን ወፃኢ ምዝገባ መረፅቲ ኣብ ሸውዓተ ክልላትን ክልተ ከተማታት ሎሚ ክዛዘም እንተነበሮ'ውን ምዝገባ ይካየደሎም ዝነበሩ ሃገራዊ ሃገራዊ በዓላት ብምዃኖምን ኣብ ገለ ቦታታት ናይ ምዝገባ እዋን ክዛዘም ክብል ከሎ ናይ መረፅቲ ጣቢያታት ከተእናግድሉ ካብዝኽእሉ ንላዕሊ ብርክት ዝበሉ መረፅቲ ብምምፅኦምን ናይ ምዝገባ ግዜ ብሓደ ሰሙን ተናዊሑ ኣሎ። ቅድሚ ሎሚ እውን ምዝገባ መረፅቲ ን15 መዓልታት ተናዊሑ ነይሩ ይብል። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%89%A6%E1%88%AD%E1%8B%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%89%A3-%E1%88%98%E1%88%A8%E1%8C%BD%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%88%E1%88%88-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%8B%8D%E1%88%91-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5882444.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ንዝኽሪ ጋዜጠኛታት ሚልክያስ ምሕረትኣብን ኣሮን ብርሃነን","content":"ኣብ ኤርትራ አብቲ ድሕሪ ነፃነት ዝነበረ እዋን ኣብ ምዕንባብ ካብ ዝነበራ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ጋዜጣ ቀስተ ደመናን ጋዜጣ ሰቲትን መስረቲ ን ጋዜጠኛታትን ዝነበሩ ሚልኪያስ ምሕረታኣብን ኣሮን ብርሃነን ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም ኣለዉ። እተን ጋዜጣታት ኣብ 2001 ዓ.ም አብ ዝተዓፀዋሉን ጋዜጠኛታት ኣብ ዝተኣስሩሉን እዋን ካብ ሃገር ሃዲሞም ብስደት ሚልኪያስ ኣብ ኣሜሪካ ኣሮን ድማ ኣብ ካናዳ ክነብሩ ድሕሪ ምፅናሕ ሚልኪያስ ኣብ ዝሓለፈ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ኣሮን ብርሃነ ኸኣ ኣብዚ ሰሙን እዚ ብምኽንያት ሕማም ዓሪፎም ኣለዉ ። ንሚልኪያስ ምሕረታኣብን ኣሮን ብርሃነን ብቀረባ ዝፈልጡዎም ክልተ ኣጋይሽ ብዛዕብኦም ከምዚ ይብሉ: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8A%AD%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%88%A8%E1%89%B5%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%AE%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%83%E1%8A%90%E1%8A%95\/5881650.html"} {"headline":"ዶ\/ር ኣብርሃም በላይ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብምዃን ተሸይሞም","content":"ዶክተር ኣብርሃም በላይ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብምዃን ተሸይሞም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B6%E1%8A%AD%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%83%E1%88%9D-%E1%89%A0%E1%88%8B%E1%8B%AD-%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8D%88%E1%8D%83%E1%88%9A-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8C%8D%E1%8B%9D%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%88%B8%E1%8B%AD%E1%88%9E%E1%88%9D\/5880952.html"} {"headline":"ፓርላማ ኢትዮጵያ ህውሓትን 'ሸኔ' ኢሉ ዝጸውዖ ጉጅለ ብግብረሽበራዊያን ክምደቡ ወሲኑ","content":"ፓርላማ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ \\ህወሓት\\ን \"ሸኔ’’ ኢሉ ዝፀውዖ ጉጅለን ንተግባር ግብረ ሽበራ ዝተውሃበ ትርጉም ኣማሊኦም ብምርካቦም ብግብረ ሽበራዊያን ክምደቡ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዘቕረቦ ናይ ውሳነ ሓሳብ ኣፅዲቑ። ህወሓትን 'ሸኔ'ን ፈፂሞምዎ ዝተባህሉ ተግባራት ነቲ ትርጉም ምሉእ ብምሉእ የማልኡ እዮም ክብሉ ናይ መንግስቲ ሓጋዚ ተፀዋዒ ምክትል ሚኒስትር ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት መብርሂ ምሃቦም እቲ ናይ ፓርላማ መገልፂ ሓቢሩ ኣሎ። ህወሓት ኣብ 2011 ዓ\\ም ናይ \"ትግራይ ማእኸላይ ወታሃደራዊ ኮማንድ\" ክብል ሕጋዊ ዘይኮነ ዝተዓጠቐ ሓይሊ ክውደብ ብኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ምውሳኑ እውን እቶም ምክትል ሚኒስትር ምጥቓሶም ገሊፁ ኣሎ። ኣብ ዝቐረበ ናይ ውሳነ ሓሳብ ዝዘተየ ፓርላማ ነቲ ውሳነ ምሕላፉ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣቶ ታገሰ ጫፎ ኣረጋጊፆም። ኣብ ውሳነ እቲ ፓርላማ 'ሸኔ' ኢሉ ዝፀውዐ ጉጅለ መንነትን ኣድራሻን ብዝርዝር ስለዘይተገለፀ ርእይቶታት ንምሕዋስ ኣይተኽኣለን።ህወሓት እውን እዚ ፀብፃብ ክሳብ ዝቐረበ ብዛዕባ እዚ ዝሃቦ ምላሽ የለን::","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%88%8B%E1%88%9B-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%B8%E1%8A%94-%E1%8A%A2%E1%88%89-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8B%8D%E1%8B%96-%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%89%A5%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%BD%E1%89%A0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%8B%B0%E1%89%A1-%E1%8B%88%E1%88%B2%E1%8A%91\/5880939.html"} {"headline":"ኣብ ገጠራት ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝዕንቅፍ ተጻብኦታት ምህላው ወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃ ገሊጾም","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ኩነታት ፀጥታ ዘይግመትን ተለዋዋጣይን ኮይኑ ከምዝቐፀለን ኣብ ገጠራት ትግራይ ንስራሓት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝዕንቅፍ ተፃብኦታት ምህላውን ወሃቢ ቃል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ስቴፋን ዱጃሪክ ትማሊ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ሓቢሮም። ኣብ ከተማ መቐለ ተፃቢቦም ካብ መንጎ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ብኮቪድ 19 ምትሓዞም ፀብፃብ ከምዝበፅሖምን ናይ ጥዕና ፈተናታት ዋሕዲ ኣገደስቲ መድሓኒታትን ናይ ሕክምና ናውትን ሕጽረት ንናይ ኣምቡላንስ መኻይን ዝኸውን ነዳዲን ከምዘሎ ገሊፆም። ንሶም ወሲኾም ኣብ ክሊ እዞም ብድሆታት ግን መሻርኽቲ ሰብኣዊ ትካላት ኣብ ትግራይ ሓገዝ ንዘድልዮም ሰባት ንምሕጋዝ ምፍታኖም ቀፂሎም ኣለው ኢሎም። ክሳብ 29 ሚያዚያ ኣብ ዘሎ እዋን መንግስትን ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ን1.1 ሚሊዮን ሰባት ልዕሊ 19,000 ሜትሪክ ቶን እኽሊ ኣከፋፊሎም ኣለው። ወሃቢ ቃል ስቴፈን ዱጃሪክ ኣብ መላእ እቲ ክልል ዘድሊ ሓገዝ ንምቕራብ ተወሳኺ ሓይሊ ሰብ፣ገንዘብ ከምኡ'ውን ዘይተገደበን ውሑስን ተበፃሕነት ክህልው መሻርኽትና ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ የጠንቅቑ ኣለው ኢሎም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%88%E1%8C%A0%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8B%9D%E1%8B%95%E1%8A%95%E1%89%85%E1%8D%8D-%E1%89%B0%E1%8C%BB%E1%89%A5%E1%8A%A6%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A2-%E1%89%83%E1%88%8D-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/5880888.html"} {"headline":"ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ክልል ትግራይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸም ምህላው ገሊጾም","content":"ኣህጉራዊ ኮሚቴ ኣድሕን\/ኣይ ሲ ኣር ሲ\/ ኣብቲ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዘቑጸረ ግጭት ክልል ትግራይ፥ ኣንስትን ኣዋልድን ሰፊሕ መግሃስን ምዝመዛን የጋጥመን ኣሎ ኢሉ። ብኻልእ ወገን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝርአ ዘሎ ዝበሎ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ጥሕሰት ኣህጉራዊ ሕግን ኣብ ምርኣይ መራሕቲ ዓለም ብህጹጽ ክዛረቡን ተወሳኺ ክገብሩን ጸዊዑ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ኣብ ግጭት ክልል ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ገበን ዝፈጸመ ኣካል ካብ ሕጊ ከምዘየምልጥ ክገልጽ ጸኒሑ'ሎ። ብተወሳኺ'ውን ምስ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ብምትሕብባር መግሃስቲ ተፈጺሙ እንተኾይኑ መርመራታት የካይድ ምህላዉ'ውን ኣፍሊጡ'ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%88%85%E1%88%B0%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8D%8D%E1%8C%B8%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/5881657.html"} {"headline":"ፖሊስ ናብ መንበሪ ዳውድ ኢብሳ ብምእታው ንሓለውቶም ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታዎም ተገሊጹ","content":"ፖሊስ ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ለይቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ኣቦ መንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ \\ኦነግ\\ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ሰይሮም ምእታዎምን ንናይ ሓለውቶም ዕጥቒ ብምፍታሕ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታዎም ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ዝኾኑ ዶክተር ሽጉጥ ገለታ ገሊፆም። እቲ ተግባር ዘይሕጋዊ እዩ ክብሉ ዶክተር ሽጉጥ ኮኒኖምዎ። እቲ ፍተሻ ክካየድ ከሎ ኣብቲ መንበሪ ገዛ ምስ ኣቶ ዳውድ ካብ ዝነበሩ ኣርባዕተ መናእሰይ ንሰለስቲኦም ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታዎምን: ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ድማ ከምዘየርኣዩዎም ዶክተር ሽጉጥ ገሊፆም። ዶክተር ሽጉጥ ገለታ ካብ 28 መጋቢት 2013 ዓ\\ም ጀሚሩ ብመንግስቲ ይኹን ካብ ካልኦት ኣካላት ሕጊ ብወግዒ ዘይተገለፀ ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ዝዝረብ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ብመንግስቲ ዝተመደቡሎም ሓለውቲ ስለዝተልዓሉን ኣብ ቀረብኦም ኮይኖም ዝሕግዙዎም ዝነበሩ ድማ ብፖሊስ ስለዝተኣሰሩን ከምኡ'ውን ሰባት ካብ ወፃኢ ከይኣትው ስለዝተኸልከሉን ናይ ርክባት መስመራት ስለዝተበተኹ ህይወት ናይቶም ኣቦመንበር ኣብ ሓደ ወዲቑ ኣሎ ኢሎም ። ካብ ፖሊስን ሰበስልጣንን ምላሽ ንምርካብ ዝተገብረ ተኸታታሊ ፃዕሪ ኣይሰለጠን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%88%AA-%E1%8B%B3%E1%8B%8D%E1%8B%B5-%E1%8A%A2%E1%89%A5%E1%88%B3-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8D-%E1%8A%95%E1%88%93%E1%88%88%E1%8B%8D%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%89%90%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9-\/5880836.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ንምትራፍ ተዓዘብቲ ምርጫ ሕብረት ኣውሮጳ መልሲ ሂባ","content":"ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዲና ሙፍቲ፡ \"ተዓዛቢ ጉጅለ ሕብረት ኣውሮጳ፣ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ንመስርሕ ምርጫ ንክዕዘብ ዘቅረቦም ቅድመ ኩነታት፣ ንሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ዝጻረሩ፣ ንነጻነታ ዝደፍሩን ንሰላማ ኣብ ሓደጋ ዘውድቁን እዮም\" ኢሉ። ሕብረት ኤወሮጳ ቪሳ ሳት ሒዘ እንተዘይኣተኹ ከምዝበለን ከምዚ ዝዓይነቱ ሕቶ ቀሪቡ ከምዘይፈልጥን ዝገለጸ ኣምባሳደር ዲና፡ \"ናትና ቴክኖሎጂ ቴለኮምኒኬሽን ዘይቆጻጸሮ መሳርሒ ሒዝና ክንኣትው ኢና ማለት፣ ከማሓድረኩም ማለት እዩ- ካልእ ምስጢር የብሉን- ዕላምኡ’ውን ንጹር ኣይኮነን ድሕሪ ምባል ምርጫ ንምዕዛብ እንተኾይኑ፣ ጸጥታ ውሑስ እዩ፣ ምጉዕዓዝ ይካኣል እዩ። ቴለኮሚኒከሽን ኣሎ። ንዑ ተዓዘቡ ተባሂሎም እዮም\" ኢሉ። ንሱ ወሲኹ \"ኣብ አውሮጳን ካልኦት ሃገራትን ዘይተራእየ፡ ንውጽኢት ምርጫ ኣብ ምፍላጥ ዝምልከት`ውን ጣልቃ ናይ ምትእትታው ድልየት ከምዝተንጸባረቀ ጠቒሱ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8D%8D-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%98%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%88%AE%E1%8C%B3-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%88%82%E1%89%A3\/5879619.html"} {"headline":"ዑደት ፕረዚደንት ኢሳያስ ፈወርቂ ኣብ ሱዳን ብዓይኒ ተንታኒ","content":"ናይ ኤርትራ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሱዳን የካይድዎ ዘለው ዑደት ካልኣይ ማዕልቱ ሒዙ ኣሎ።ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ናይ ሱዳን ፕሬዝዳንት ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ቡህራንን ኣብ ክልትኣዊ ምትሕብባር ከምዝተዘራረቡ ሰበስልጣን ሱዳን ገሊፆም ኣለው። ትማሊ ሶኑይ ናብ ሱዳን ዝገሹ ናይ ኤርትራ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ መራሕቲ ሱዳን ተዘራሪቦም ኣለው።እቲ ዑደት ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ናይ ዶብ ምስሕሓብ ኣብዝተፈጠረሉን ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝተፈጠረ ግጭት ንኢትዮጵያ ብምሕጋዛ ኣብ እትንቀፈሉን ዘላ እዋን እዩ። ሓደ ምኽኒያት ናይ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ናይ ሱዳን ዑደት ከም ንእሽተይ ሃገር ካብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ንሓንቲአን ምምራፅ ስለዘይትደሊ ክኸውን ይኽእሉ ይብሉ ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከብ ሎንግ ኣይላንድ ዩኒቨርስቲ መምህር ቢስነስ ባክሪ ኤልመድኒ።ምስ ክልትኤን ዓበይቲ ሃገራት ፅቡቕ ርክብ ክህልዎ ይደልዩ እዮም ይብሉ ወሲኾም። ካብዚ ልዕል ብዝበለ ኣብ ዶባት ይኸውን ምስ ዘሎን ኣብ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ዘሎ ኣፈላላያትን ሓዊሱ ኣብ ፖለቲካዊን ዞባውን ዛዕባታትን ንምዝርራብ ምኽኒያት ናይቲ ዑደት ክኸውን ይኽእል ኢሎም ባክሪ ። ‘’ኢሳያስ ኩሉ ሻዕ ኣብ ናይቲ ዞባ ፖለቲካዊ ኩነታት ንርእሶም ከመይ ከምዘቐምጡ ዝፈልጡ ሰብ እዮም’’ ይብሉ። ቀንዲ ዕላማ ናይቲ መገሻ ምኽኒያት ተሓቲቶ ‘’ከምዝመስለኒ ምናልባሽ ክልተ ነገራት ምርኣይ ይክኣል ። በቲ ሓደ ወገን ኢሳያስ ብዝተፈላለይ ምኽኒያታት ካብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ንሓንቲአን ክመርፁ ኣብ ዝኽእልሉ ኩነታት ክኾኑ ድልየት የብሎምን።ሱዳን ዘይተረጋግአት ሃገር እያ።ሱዳን ንርእሳ ንናይ ኤርትራ ዘይምርግጋእ ዓባይ ምኽኒያት ክትኸውን ትኽእል።ብተመሳሳሊ ድማ ኢሳያስ ንኢትዮጵያ ቀሊል ብዘይኮነ መንገዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭት ንምፍታሕ ዝንቀሳቐስሉ ኩነታት ኣሎ።ሰልዝኾነ ኢሳያስ ብሓቂ ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ንምምፃእ ዘኽኣሎም ርክብ ብምዕቃብ ዝተሓሰበሉ ፀዋታ ንምፅዋት ይፍትኑ ኣለው ኢለ እየ ዝግምት’’ ኢሎም:: ናይ ኤርትራ ፕሬዝዳንት ናብ ሱዳን ዝገሽሉ ኣብ ኢትዮጵያ ግጭት ኣብ ዘለሉን ኤርትራ ድማ ኣብቲ ግጭት ተሳታፊት እያ ዝብል ክሲ ኣብዝቐረበሉ እዋንን እዩ።ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ናይ መሬት ምስሕሓብ ኣብዝተፈትጠረ እዋን ስለዝኾነ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ንምሽምጋል ገለ ታራ ክፃወቱ እንተኾይኖም ዝተሓተቱ እዞም ተንታኒ ከምዚ ኢሎም። ‘’እጠራጠር እየ።ኣነ ከምዝመስለኒ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘለው ጉዳያት ብዙሕ መልክዓት ዘለዎን ዝተሓላለኸን እዩ።ኤርትራ ድማ ከም ሃገር ስትራተጂያ ሓይሊ ይኹን ወይ ረብሓ\\ለቨረጅ\\ የብላን።ኤርትራ ንእሽተይ ሃገር እያ።ሓቂ እዩ ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ብኣንፃራዊ ኩነታት ዝተረጋግአት እያ ነይራ፤ብዙሕ እትህቦ ነገር ግን የለን።ስለዚ ኢሳያስ ብትኽክል ንምፍፃም ዝፍትኑ ዘለው እዚ ይመስለኒ።ምስ ኣብይ ከም ዝቡቕ መሓዛን ስትራተጂያዊ መሻርኽቲን ገይሮም ንምቕማጥ እዮም ዝፍትኑ ዘለው።ዝበዝሕ መሪሕነት ኤርትራ ዕድመ ንእስነቶም ኣብ ሱዳን ስለዘሕለፉ ጥቡቕ ባህላዊ ምትእስሳር ከምዘለዎ ሰብ ብባህሊ ኣፀቢቖም ይፈልጡ እዮም’’ ኢሎም ባክሪ ። ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ናይታ ሃገር ፕሬዝዳንት ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ዓብደል ፋታሕ ኣል ቡርሓን፣ምስ ቀዳማይ ምንስቴት ዓብደላህ ሓምዶክ ተራኺቦም ኣብ ክልትኣዊ ዛዕባታት ዘቲዮም ኣለው ብመሰረት ፀብፃብ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ኤርትራ ሻባይት።ሎማዕንቲ ድማ ምስ ናይ ሱዳን ምንስቴር ወፃኢ ዶክተር መሪየም ኣል ሳዲቅ ብምርኻብ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ፕሮግራማትን ንረብሓ ኽልቲአን ሃገራት ዝምልከቱ ዞባዊ ዛዕባታትን ምዝርራቦም ምንስቴር ምንስትሪ ሓበሬታ ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዝዘርግሕዎ ናይ ቲዊተር መልእኽቲ ገሊፆም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/analysis-on-president-isaias-afewerki-visit-to-sudan\/5879428.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ኣምባ.ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ነበር ደቪድ ሺን","content":"ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፈልትማን፥ ኣብ ግብጺ:ኤርትራ: ኢትዮጵያን ሱዳንን ዑደት ንምግባር ሎሚ ሰሉስ ናብቲ ዞባ ተበጊሱ'ሎ። እቲ ፍሉይ ልኡኽ ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ቅልውላው ዝዝቲ ክኸውን ከሎ፡ ምስ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ኢትዮጵያን ብዛዕባቲ ቅልውላው ዝዘራረብ ምዃኑ'ውን ተሓቢሩ'ሎ። No media source currently available ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ኒክ ቺንግ ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣመሪካ ንዝነበረ ደቪድ ሺን፡ ብዛዕባ ዑደት'ቲ ፍሉይ ልኡኽ ርእይትኡ ክህብ ሓቲታቶ አላ: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8B%B0%E1%89%AA%E1%8B%B5-%E1%88%BA%E1%8A%95\/5878134.html"} {"headline":"ሓሙሽተ ሰኔራት ኣሜሪካ ንፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፈሪ ፌልትማን ደብዳበ ፅሒፎም","content":"ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ፍሉይ ልኡኽ ዩናይትድ ስቴትስ ጀፈሪ ፌልትማን ካብ ሎማዕንቲ 4 ግንቦት ክሳብ 13 ግንቦት 2021 ናብ ግብፂ፣ኤርትራ፣ኢትዮጵያን ሱዳንን ክጉዓዙ እዮም።እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሓሙሽተ ሰኔተራት ዩናይትድ ስቴትስ ኣምባሳደር ጀፈሪ ፌልትመን ጉዕዙኦም ኣብ ኢትዮጵያ ምርግ ጋእ፣ተሓታትነትን ኩሉ ሓቆፍ ኣገባብ ንኸውን ንምትብባዕ ክጥቀምሉ ፀዊዖም። ፍሉይ ልኡኽ ኣማባሳደር ጀፈሪ ፌልትማን ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ከምኡ እውን ሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪካ ክዘራረቡ ዮም።ምስ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ኣካላትን ሰብኣዊ ትካላትን እውን ክዘራረቡ እዮም ኢሉ ኣሎ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ። ናይቶም ፍሉይ ልኡኽ ናይ ቀርኒ ኣፍሪካ ጉዕዞ እቲ ነንባዕሉ ዝተኣሳሰረ ናይ ፖለቲካ፣ናይ ፀጥታን ሰብኣዊ ቅልውላዋትን ብዘላቒ ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪ ንምምራሕ ቅርቡነት ናይቲ ምምሕዳር ዘርኢ እዩ ይብል እቲ መግለፂ።ስለዝኾነ ድማ ነዚ ንምዕዋት ፖሊሲ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብቲ ዞባ ከተሓባብሩ እዮም ይብል እቲ ናይ ኤምባሲ መግለፂ ብምውሳኽ። ብዝተኣሳሰረ እቶም ፍሉይ ልኡኽ ናብ ቀርኒ ኣፍሪካ ቅድሚ ምጋሾም ሓሙሽተ ሰኔተራት ዩናይትድ ስቴት ንጀፈሪ ፌልትማን ኣብዝፀሓፉዎ መልእኽቲ ኣብ ኢትዮጵያ ምርግጋእን ተሓታትነትን ንክረጋገፅ ከተባብዑን ኩሉ ሓቆፍ ኣገባብ ክኸውንን ፀዊዖም ኣለው። ሰኔተር ቤን ካርዲን ካብ ሜሪላንድ፣ሰኔተር ቲም ኬይን ካብ ቨርጂኒያ፣ጃኪ ሮሰን ካብ ኔቫዳ፣ኮሪ ኤ ቡከር ካብ ኒው ጀርሲን ኤድ ማርኪ ካብ ማሳቹስተስን ኩሎም ሓሙሽቲኦም ኣባላት ዴሞክራቲክ ፓርቲ እዮም። ‘'ካብ መጀመሪያ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ዝተፈጠረ ግጭት ኣብ ሰብኣውነትን ሰብኣዊ መሰላትን ዝወረዱ ሳዕቤናት ብዓሚቕ ተሻቒልና ኢና’’ ኢሎም እቶም ስኔተራት። ካብዚ ብተወሳኺ 1.7 ሚሊዮን ሰባት ኣብ ውሽጢ ምምዝባሎምን 62,000 ድማ ናብ ሱዳን ክሃድሙ ከምዝተገደዱን 4.5 ሚሊዮን ሰባት ህፁፅ ረድኤት ከምዘድልዮምን ገሊፆም። ብሓይልታት ፀጥታ ሰፊሕ ፆታዊ ዓመፅን ፆታ መሰረት ዝገበረ ህውከትን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ስቪላት ከበድቲ ሰብኣዊ መግሃስታት ምፍፃሞም ዝሕብሩ ብርክት ዝበሉ እሙናት ፀብፃባት ምውፅኦም እውን ወሲኾም ገሊፆም። እቲ ደብዳበ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ክልል ዘይተደረት ሰብኣዊ ተበፃሕነት ክህሊ፣ወታደራት ኤርትራን ዘይመንግስታዊ ዝኾኑ ወታደራት ካብ ትግራይ ክወፁን መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ብነፃ ክምርመራ ክፈቕዱን ዘጥፍኡ ክሕተቱን ዝኣተውዎ መፅብዓ ከማልኡ ኩሎም ዲፕሎማሲያዊ መሳርሒታት ንኽትጥቀሙ ነተባብዐኩም ይብል።እዞም ስጉምትታት ካብ እዋን ናብ እዋን እናዓበየ ዝመፀ ሓደጋ ዓፀቦ ንምግታእን ኣብቲ ክልል ኣብ ልዕሊ ስቪላት ዝፍፀም ስልታዊ ሰብኣዊ መግሃስታት ጠጠው ንምባልን ኣዚዮም ኣገደስቲ ስጉምትታት እዮም ኢሎም። እቶም ሰኔተራት ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ይኽሰቱ ዘለው ናይ ብሄር ሁከት ከምዘተሓሳሰቦም ገሊፆም።ካብ ናይ ትግራይ ብተወሳኺ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ኣብ 2021 ኣ\\ፈ ብዝተፈጠረ ህውከት 655,000 ሰባት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ገሊፆም። ‘’እዚ ሃንደበታዊ ህውከት ንማሕበረሰባት ኣዕኒዩ እዩ’’ኢሎም እቶም ሰኔተራት።’’እዞም ናይ ዘይምርግጋእ ዝንባለታት ክንዓቑ የብሎምን፤ብፍላይ ድማ 5 ሰነ 2021 ኣ\\ፈ ክካየድ ምስ ዝተተለመ ሃገራዊ ምርጫ ብምዝማድ....ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ እምነት ንምርካብ ዘኽእል ለውጢ ከይተገብረ እቲ ምርጫ ዝካየድ እንተኾይኑ፣ኣብ መላእ ሃገር እናወሰኸ ይኸይድ ዘሎ ብሄረሰባውን ፖለቲካውን ወጥርታት ናብ ዝብኣሰ ህውከት ክምዕብል እዩ’’ክብሉ ኣጠንቂቖም። ‘’ኣብ ክልላት ኦሮሚያ፣ኣምሓራ፣ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ትግራይን ኣብ ካልኦት ክልላትን ዝተፈፀሙ መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ብነፃ ክምርመር ትድግፉ ተስፋና እዩ።ከምኡ ኣብታ ሃገር ዝተረጋግአ፣ ዝተመጣጠነን ንኩሉ ተረባሒ ዝገብር ኩሎም ናይታ ሃገር ናይ ብሄርን ፖለቲካዊ ጉጅለታትን ዘተኣኻኽብ መስርሕ ሃገራዊ ዝርርብ ክትደፍእሉ ክነተባብዕከም ንደሊ’’ኢሎም እቶም ሰኔተራት ንፌልትማን ኣብ ዝለኣኹዎ ደብዳብ። ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ሰብኣውነትን ሰብኣዊ መሰላትን ካብ ዘጋጠመ ቅልውላው ብተወሳኺ ኣብ 2020 ኣ\\ፈ ቅትል ድምፃዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ናይ ብሄር ህውከትን መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላትን እናወሰኽ መፂኡ እዩ።ንናይ ኦሮሞ ፖለቲካዊ ውድባት ብምድጋፎም ብዙሓት ተኣሲሮም ዋላ እውን ተቐቲሎም እዮም።ካብዚ ብተወሳኺ መንግስታዊ ዘይኮኑ ዕጡቓት ጉጅለታት ንተወለድቲ ብሄረ ኣምሓራን ኣብ ካልኦት ከባቢታ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣናእሽቱ ናይ ብሄር ማሕበረሰባትተጨፍጪፎምንእዮም።በዚ ምኽኒያት ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሰፊሕ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ተኻይዱን ዝተወሰኑ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብቲ ዝቕፅል ምርጫ ንዘይምስታፍ ወሲኖም እዮም። ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን ኣገዳሲት መሻርኽቲ ዩናይትድ ስቴትስን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣገዳሲ ታራ ዘለዋን ሃገር እያ ኢሎም እቶም ሰኔተራት።ስለዝኾነ ድማ ንኢትዮጵያ ይጎድኡዋ ዘለው ቀንዲ ብድሆታት ምፍታሕ ረብሓ ኢትዮጵያ፣ዩናይትድ ስቴትስን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን እዩ ኢሎም።ጎኒ ንጎኒ ድማ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ጎረባብታን ንኣብነት ጉዳይ ግድብ ዓብይ ህዳሴ ኢትዮጵያ ብሰላምን ብልዝብን ክፍታሕ ክነተባብዕ ኣለና ኢሎም። እዞም ፈተናታት እዚኦም ዋላ ሓዲኦም እውን ብተናፀል ክፍትሑ ኣይኽእሉን፤ሕድ ሕድ ምጥንናጋት ናይዞም ቅልውላዋት ንምፍታሕ ኩሉ ዝተኣሳስር ስትራተጂ ኣድልይ እዩ ኢሎም ብምውሳኽ። ኣብ ምወዳእታ እቶም ሰኔተራት እዞም ስትራተጂታት ከማዕብሉን ክፈፅሙን ንምሕጋዝ ቅሩባት ምዃኖምን፤ኣብ ኢትዮጵያን መላእ ቀርኒ ኣፍሪካን ሰብኣዊ መሰላት፣ዴሞክራስን ብልፅግናን ንስጓም ሓቢሮምዎም ከምዝሰርሑን ንፍሉይ ልኡኽ ጀፈሪ ፌልትማን ገሊፆምሎም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/special-envoy-feltman-will-travel-to-egypt-eritrea-ethiopia-and-sudn\/5877937.html"} {"headline":"ሚ\/ጉ\/ወ ኣሜሪካ ፍሉይ ልኡኽ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ልኢኹ","content":"ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብልንክን፣ 'ውጥረት ንምትህድዳእ’ ንፍሉይ ልኡኾም ሎሚ ሰሉስ ናብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዝለአኹ ተገሊጹ። እቶም ሚኒስትር v ወጻኢ ኣብ ዝፈነውዎ መግለጺ \"ፍሉይ ልኡኽ ጀፍርይ ፈልትማን፣ ኣብ ግብጺ፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ክበጽሑ'ዮም\" ኢሎም። እቶም ፍሉይ ልኡኽ ኣብቲ ዞባ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰብኣዊ ሓገዝ ወሃብቲ ጉጅለታት ብተወሳኺ ምስ ሰበስልጣናት መንግስታት ፣ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን 'ውን ክራኸቡ 'ዮም ። ብሊንከን ኣብ መግለጺኦም \" እቲ ፍሉይ ልኡኽ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተሓላለኹ ፖለቲካዊ ፣ ፀጥታዊን ሰብኣውን ቅልውላዋት ንምፍታሕ ቀፃልነት ዘለዎ ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪ ንምክያድ ዘለዎ ድልየት ዘርኢ እዩ ። ብምዃኑ ኣብቲ ዞባ ፖሊሲ ኣሜሪካ ብምትሕብባር ሽትኡ ንምዕዋት ዝሰርሕ እዩ ዝኸውን\" ኢሎም ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ነበር ዴቪድ ሺን ትማሊ ሰሉስ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ፊልትማን ናብ ኤርትራ ክበፅሑ ምግባሩ ዓብዪ ትርጉም ዘለዎ እዩ: \"ሓደ ዓብዪ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣናት ኤርትራ ክራኸቡ ምፍቃድ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት እዚ ፈላማይ እዩ ።እዚ ባዕሉ ሓደ ፅቡቅ ነገር እዩ \" ኢሎም ። ኣሜሪካ ነቲ ሻድሻይ ወርሑ ሒዙ ዝርከብ ጎንፂ ጠጠው ክብል ንኢትዮጵያ ፀቅጢ ክትፈጥረላ ምፅነሓን ከምኡ'ውን ኣብ ትግራይ ኣትዮም ዝርከቡ ወተሃደራት ኤርትራ ካብቲ ክልል ንኽወፁ ክትፅውዕ ምፅነሓ ዝዝከር እዩ ። ኣብዚ እዋን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጆርጅ ታዎን መምህር ዓለምለኸ ጉዳያት ኮይኖም ዝሰርሑ ዘለዉ ኣምባሳደር ሺን \"ሰራዊት ኤርትራ ናብ ቦትኦም እንተድኣ ዘይምለሱ ኮይኖም ኣሜሪካ ንኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ዝተገለለት ሃገር ኮይና ክትረአ ዘኽእል ኩነታት እናዓበየ ክመፅእ ይኽእል እዩ \"ኢሎም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ሰራዊት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብታ ክልል ንዝነበረ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምጥቀዖም ሰራዊቶም ከድሕኑ ኣብ ልዕሊ እታ ክልል ኲናት ከምዝኣወጁ ይዛረቡ ። ከም ሓበሬታ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብዚ እዋን ብሰንኪ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት 4.5 ሚልዮን ሰባት ንሰብኣዊ ሓገዛት ተቓሊዖም ይርከቡ:: ሕቡራት ሃገራት ሎምዘበን ኣብ ትግራይን ብሓፈሻ ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ 16 ሚልየን ቅልጡፍ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ሓቲቱ ይርከብ ። ብኻልእ ወገን በታ ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ትሃንፆ ዘላ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ዝመበገሲኡ ኣብ ሞንጎ ሱዳን፣ግብፅን ኢትዮጵያን ወጥሪ ነጊሱ ይርከብ ። ግብፅን ሱዳንን ቅድሚ እቲ ግድብ ማይ ምምልኡ ምስ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ስምምዕነት ክብፃሕ እንተኾነ ድልየተን ቀዲማ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ጀሚራ እያ ። እዚ ድማ ነተን ሃገራት ኣብ ቀረብ ማይንን ሓይሊ ኤለክትሪከንን ብቀጥታ ሓደጋ ዘስዕብ ስጉምቲ ገይረን ወሲደንኦ። ኣብ ሞንጎ ሰለስቲኤን ሃገራት ንዝተፈጥረ ንምስሕሓብ ሕብረት ኣፍሪቃ መንጎኛ ኮይኑ ክክሽምግል ፀኒሑ እዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8D%8D%E1%88%89%E1%8B%AD-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%89%80%E1%88%AD%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%88%8D%E1%8A%A2%E1%8A%B9\/5878107.html"} {"headline":"ፕረ.ኢሳያስ ኣብ ሱዳን ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ይፍጽሙ ኣለው","content":"ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ሎሚ ሰሉስ ካርቱም ሱዳን ኣትዮም ኣለው። ብመሰረት መልእኽቲ ትዊተር ሚኒስትር ዜና ኣቶ የማነ ገ\/መስቀል \"ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝመርሕዎ ጉጅለ፣ ንሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት የማነ ገብረኣብን ዝሓቆፈ’ዩ።\" No media source currently available ንሶም ወሲኾም \"ፕረዚደንት ኢሳያስ ምስ አቦ መንበር ቤት ምኽሪ ሉላዊነት ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን፣ ንክልተኣዊ ዝምድና ሃገራቶም ንምሕያል ከምዝሰርሑ፣ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ፖለቲካ፣ ጸጥታን ሰራዊትን ተሓባቢሮም ንምስራሕ ዝተበጽሐ ስምምዕነት ዝትግበረሉ ኣገባብ፣ ብደረጃ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነጥፍሉ ኩነታት ከምዝዘተዩ\" ጠቂሱ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8B%AD%E1%8D%8D%E1%8C%BD%E1%88%99-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8D-\/5878017.html"} {"headline":"ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ኢትዮጵያ ተዓዘብቲ ከምዘይልእኽ ገሊጹ","content":"ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ኣብ ሰነ ዝካየድ መስርሕ ምርጫ ንምዕዛብ ዘኽእሎ ቅድመ ኩነታት ስለዘይተማለአሉ፣ ተዓዘብቲ ከምዘይልእኽ ገሊጹ። ሕብረት ኣውሮጳ ዝዘርገሖ መግለጺ ቅድመ ኲነታት ስለዘይተማልኡ፣ ምልኣኽ ተዓዘብቲ ተሰሪዙ ኣሎ ይብል ። እቶም ቅድመ ኩነታት፣ ናጽነት’ቲ ዝላኣኽ ጉጅለን ናብ ኢትዮጵያ ንክኣትው ዝተደለየ ኣቁሑት ርክባትን ዝሓቁፍ ከምዝኾነ’ውን እቲ መግለጺ ጠቂሱ ኣሎ። እቲ ሕብረት ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ፣ ንፖለቲካዊን ሰብኣዊን መሰላት ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ንምርግጋጽ ጻዕሮም ንከዛይዱ ኣተባቢዑ ኣሎ ። እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ካብ ቤት ጽሕፈት ርክባት ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ዝወጸ መግለጺ ከምዝሓበሮ \"መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዴሞክራሲያዊን ሰላማዊን ምርጫ ንክህሉ ሰናይ ድልየቱ ኣርእዩ እዩ፣ ክሳዕ ዝካኣሎ ዓለምለኸ ተዓዘብቲ ዝዋስእሉ ምዕሩይ ባይታ ንምፍጣር ሰሪሑ እዩ\" ይብል። እቲ መግለጺ ወሲኹ \"ንኩሎም ዓለምለኸ ተዓዘብቲ ንቅበል ኢና፣ ዘይሩ ዘይሩ ግን፣ ናይ መወዳእታ ፈራዲ፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ እዩ፣ ስለዚ፣ ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ንክምዝገቡ ነተባብዕ፣ ንከባቢኦም ንክሕልውን ትኩራት ንክኾኑን ነተሓሳስብ\" ኢሉ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%88%AE%E1%8C%B3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%8A%A5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%98%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%8A%A5%E1%8A%BD-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5878026.html"} {"headline":"ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ንልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ተፈናቀልቲ ሓገዝ ይልገስ ምህላው ተሓቢሩ","content":"ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ፣ ንልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዝተፈናቀሉ ኢትዮጵያዊያን ዝተፈላለዩ ድጋፋት ይልግስ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። እቲ ማሕበር፣ መቐለ ንዝርከቡ ተፈናቀልቲ፣ ጊዚኡ ዝሓለፎ ዘይትን ስርናይን ኣቅሪቡሎም ዝብል ዝተቃለሐ ወቀሳ መሰረት ዘይብሉ ከምዝበሎ’ውን ተሓቢሩ'ሎ። ሓላፊ ርክብ ህዝቢ’ቲ ማሕበር ዶ\/ር ሰለሞን ዓሊ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ \"ኣብ ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ቤንሻንጉል ጉሙዝን ዝተፈላለዩ ከባቢታትን፣ ንልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ይሕግዝ ኣሎ\" ኢሎም። ድምጺ ኣሜሪካ ዝሓለፈ ቅነ ዘዘራረቦም ኣብ ማይ ዓይኒ ዘጽለሉ ተፈናቀልቲ \"ቀይሕ መስቀል፣ ጊዚኡ ዝሓለፎ ስርናይን ዘይትን ኣቅሪቡልና ኣይንቅበልን ኢልና\" ከምዝበሉ ዝዝከር እዩ። ዶ\/ር ሰሎሞን ግና \"ኣፍረይቲ ስርናይ’ታ ሃገር፣ ንጊዚኡ ዝሓለፎ መሐሸጊ ሓዲሱ ዝሕትም ዘመናዊ ኣሰራርሓ ስለዘይብሎም ከምዝኾነን፣ እቲ ዝቀረበ ስርናይን ዘይትን ናይ መጠቀሚ ጊዜ ዘይሓለፎ እዩ\" ክብሉ ገሊጾም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%88%95-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%89%80%E1%88%8D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8A%93%E1%89%80%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%8C%88%E1%88%B5-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5877986.html"} {"headline":"ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ምሩጻት ዘርእታት ናብ ሓረስቶት ከምዝዘርግሐ ገሊጹ","content":"ሚኒስትር ሕርሻ ኤርትራ እቶታውነት ብምውሳኽ ቀረብ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት 93 ዝተፈላለዩ ምሩጻት ዘርእታት ናብ ሓረስቶት ከምዝዘርግሐ ገሊጹ። እቶም በመንገዲ ሃገራዊ ትካል ሕርሻዊ ምርምር ዘድሊ ምርምርን ፈተነን ተጌሩሎም ናብ ሓረስቶት ዝተዘርግሑ 27 ናይ ኣሕምልቲ፡21 ናይ ፍረታት ከምኡ'ውን 45 ናይ ኣእካልን ጥረታትን ምሩጻት ዘርእታት ምስ ክሊማ ኤርትራ ዝሰማመዑ፡ ልዑል እቶት ዝህቡን ሕማምን ባልዓትን ዝጻወሩ ከምዝኾኑ ክኢላታትን ተመራመርትን ናይ’ዚ ዓውዲ ዝኾኑ መንእሰያት ኤደን ዓንደን ተስፉ ኢሳቕን ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም ኣለዉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%88%95%E1%88%AD%E1%88%BB-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%9D%E1%88%A9%E1%8C%BB%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%93%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%89%B6%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8B%98%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%88%90-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5876682.html"} {"headline":"መግለጺ ኣምባ. ኣሜሪካ ኣብ ሕ\/ሃ ኣብ ጉዳይ ክልል ትግራይን ግብረ መልሲ ኣምባ.ኢትዮጵያን","content":"\"ኣብ ትግራይ፣ ትሕተ ቅርጺ ኮነ ተባሂሉ ንክዓንውን ንክበርሱን ይግበር ከምዘሎ\" ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ገሊጸን። ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ፣ ነዚ ዝገለጻ ኣብ’ቲ ናይ’ዚ ወርሒ’ዚ ፕረዚደንት’ቲ ቤት ምኽሪ ዝኾነት ቬትናም ኣብ ዝጸወዐቶን \"ኣብ እዋን ግጭት፣ ትሕተ ቅርጽን ሰላማዊያን ሰባትን ሓለዋ ምግባር\" ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭብጢ ኣብ ዘስመዐኦ መደረ እዩ። ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ታየ ህዝቀስላሴ ብወገኖም \"ኢትዮጵያ ከምሃገር፣ ንሰላምን ድሕነትን ህዝባ ምርግጋጽ ቀዳማይ ሓላፍነት ዝስከም መንግስቲ እዩ። ስለዚ ብዝተካኣለ መጠን፣ ንህይወት ዜጋታት ንምሕላው፣ ሰላማዊ መነባብርኡ ንከይሕወኽ ኩሉ ዓይነት ስጉምታት ኣብ ምውሳድ እዩ ዝርከብ\" ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95\/5876643.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ብስንኪ ዝሃረመ ብርቱዕ ዝናብ ትሸዓተ ሰባይ ሞይቶም","content":"ኣብ ድሬድዋ ኣብ ዝቕፅል መዓልታት ከቢድ ዝናብ ስለዝሃርም ሕብረተሰብ ጥንቃቐ ክገብር ፃውዒት ቀሪቡ።ኣብታ ከተማ ትማሊ ሰንበት ዝሃረመ ዝናብ ናይ ሓደ ትካል ህንፃ ፈሪሱ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣባይቲ ዝነበሩ ትሽዓተ ሰባት ሞይቶም። ምምሕዳር ድሬዳዋ ንተመሳሳሊ ሓደጋ ዝተቓልዑ 22 ስድራታት ካብቲ ከባቢ ኣልዒሉ ኣብ ጊዚያዊ መፅለሊ ከምዘዕቖቦምን መዓልታዊ መግቢ ሓገዝ እናሃበ ከምዝርከብን ቤት ፅሕፈት ኣተሓባባሪ ስግኣት ሓደጋን ስራሕ ኣመራርሓን ኣፍሊጡ ኣሎ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8B%B5%E1%88%AC%E1%8B%B3%E1%8B%8B-%E1%89%A5%E1%88%B5%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8B%9D%E1%88%83%E1%88%A8%E1%88%98-%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%89%B1%E1%8B%95-%E1%8B%9D%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%B8%E1%8B%93%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%8B%AD-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D-\/5876628.html"} {"headline":"ክልል ትግራይ: ዝተሓላለኸ ኩነታት ጸጥታ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ህዝቢ ከይባጻሕ ዕንቅፋት ይኸውን ከምዘለው ወሃቢ ቃል ሕ\/ሃ ገሊጾም","content":"አብ ትግራይ ይራኣይ ዘሎ ዝተሓላለኸ ጸጥታዊ ኩነታት፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ህዝቢ’ቲ ክልል ብሰላም ንከይባጻሕ ይዕንቅፍ ከምዘሎ ምክትል ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ፈርሃን ሃቅ ገሊጾም። ንሶም ሽዱሽተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምጅማር ውግእ ሎሚ’ውን መብዛሕትኡ ገጠራት ትግራይ ኣገልግሎት ስልኪን መብራህቲን ኣይረክብን፣ ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣገልግሎት ጥዕና፣ ማይን ካልኦትን ምሃብ ኣይተካኣለን ይብሉ። ምክትል ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ፈርሃን ሃቅ \"ሕቡራት ሃገራትን መሻርኽቱን፣ ኣብ ትግራይ ንዝተፈጸሙ ጾታዊ ገበናት ሎሚ’ውን የጻርይዎ ከምዘለው\" ገሊጾም። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ፕሮግራም መግቢ ዓለም 9,000 ሜትሪክ ቶን እኽሊ ኣብ ምዕራባዊን ደቡባውን ዞባታት ትግራይ ን529 ሽሕ ህዝቢ፣ ኣብ ዕዳጋ ሓሙስን ኣጽቢን’ውን ን34 ሽሕ ህዝቢ ሓገዝ ከምዝዓደለ ኣፍሊጡ። ብዘይካ'ዚ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ን700 ሽሕ ህዝቢ ዝስተ ማይ ከምዘባጸሐ ገሊጹ። ፈርሃን ሃቅ መሻርኽቲ ኣካላት፣ ዛጊት ዝተረኸበ ድጋፍ ኣኻሊ ከምዘይኮነ ይገልጹልና ኣለው ድሕሪ ምባል፣ ተወሳኺ ገንዘብ ከምኡ'ውን ሰላማዊ ምትሕልላፍ ቀረብ ረድኤት ኣገደስቲ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8A%A8%E1%8B%AD%E1%89%A3%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8B%95%E1%8A%95%E1%89%85%E1%8D%8B%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8A%B8%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A2-%E1%89%83%E1%88%8D-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D-\/5873607.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ንተወለድቲ ትግራይ ትኣስር ኣላ","content":"ኢትዮጵያ ንኣሽሓት ተወለድቲ ትግራይ 'ከሓድቲ እዮም' ብዝብል ክሲ ኣብ መላእ ሃገር እናሓፈሰት ናብ ቤት ማእሰርቲ ትዳጉኖም ከምዘላን መብዛሕቲኡግዜ ብዘይክሲ ንኣዋርሕ ከምዝእሰሩን ኣሶሺየትድ ፕረስ ፀብፂቡ ኣሎ። መንግስት ኣብ ትግራይ የካይዶ ዘሎ ውግእ ሻድሻይ ወርሑ ኣብ ዝሓዘሉ ዕላማ ማእሰርቲ ወታደራውን ስቪላውን ሰራሕተኛታት ኣብ ሓደ እዋን ይዕብልሉዎም ካብ ዝነብሩ መንግስታዊ ትካላት ንተወለድቲ ትግራይ ንምፅራግ እዩ።እንተወሓደ ኣብ ትሽዓተ ቦታት ዝተትሓዙ እሱራት ብበዝሕን ብሃበ ተረኽበን ስፍሕ ዝብለን ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ካብ ዝሃበትሉ ወይ ካብ ዝኣመንትሉ ኣዚዩ ዝለዓለንእዩ።ሓል ሓሊፉ ብሄራዊ መንነት ብሕታዊ ምኽኒያት ማእሰርቲ እዩ። እሱራት፣ስድራታትን በፃሕትን እማእቲ ዋላ እውን ልዕሊ 1,000 ሰባት ኣብ ወታደራዊ መደብራትን ናይ ሕርሻ ኮሌጅን ሓዊሱ እንተወሓደ ኣብ ትሽዓተ ቦታት ተዳጕኖም ከምዝርከቡ ይገልፁ ። መንግስቲ ናይ ሰላም ኖቤል ተሸላሚ ኣብይ ኣሕመድ ውሱን ቁፅሪ ንዘለዎም ትግራዎት ላዕለዎት ወታደርዊ ሰበስልጣን ምእሳሩ ኣሚኑ ኣሎ።Associated Presse\\AP\\ንፈለማ ግዜ ከምዝፀብፀቦ ግን እቲ ካብ ካህናት ክሳብ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዝተዘርግሐማእሰርቲ ኣዚዩ ዝሰፍሐን ብሃበተረኽበ ዝፍፀምን እዩ። ሓደ ወታደራዊ እሱር ንAP ኣብ ዝሃቦ ቃል ምስ ካልኦት ልዕሊ 400 ትግራዎት ተኣሲሮም ከምዝርከቡን ምስ ጠበቓታቶም ክራኸቡ ከምዘይተፈቐደሎምን ገሊፁ። ዋላ ስድርኦም እውን ክሪኡዎም ኣይክእሉን።AP ንደሕንነቱ ክብል ሽም ናይዚ ሰብ ኣይፀርሕን፤ ንወታደራዊ መንነት ወርቐቱ እውን ሪኡ ኣሎ። ‘’ዝደለዩዎ ነገር ክገብሩ ይኽእሉ’'ኢሉ እዚ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከብ ወታደር ተሓቢኡ ብዝኣተወ ቴሌፎን ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ቃል።’’ክቐትሉና ይኽእሉ፤ኣብ ኢዶም ኢና ዘለና፤ካብ ምፅላይ ካሊእ ምርጫ የብልናን’’ኢሉ። ብዙሓት ሰራሕተኛታት ውትድርና ተዋጋእቲ ኣይነበሩን። መምህራንን ነርስታትን እውን ኣለው ብመሰረት ምስ 15 እሱራትን ስድራታት እሱራትን ዝተኻየደ ቃለ ምልልስ።ብመንግስቲ ኣብ ዝውነኑ ኩባኒያትት ዝሰርሑ ስቪል ሰራሕተኛታት እውን ተታሒዞም ይርከቡ። ዕጡቓት ዘይኮኑ ሰባት ብሃበተረኽበ ምድጓን ምስ ዓለምለኸ ሕጊ ዝራፀም እዩ ክብል ምስ ኣባላት ስድራ እሱራት ዝተራኸበን ንናይ AP ሕቶታት መልሲ ንምሃብ ዘይደለየን ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ሓቢሩ። ኩነታት ዝተፈላለዩ እንተኾኑ እውን ገለ እሱራት ኣብ ማዕልቲ ሓደ ምግቢ ጥራሕ ይውሃቦም።ለበዳ ኮቪድ 19 ብቕልጡፍ ይስፋሕፋሕ ኣብዘለሉ ዓሰርተታት እሱራት ብቆርቆሮ ኣብ ዝተሰርሐ መፅለሊ ተዳጊኖም ይርከቡ። ስድራታት ኣገደስቲ ዝኾኑ መድሓኒታት ከይኽልከል ይጭነቑ ኣለው።AP ዝተኸታተሎም እሱራትን ስድራታትን ክግረፉ ወይ ኣካላዊ መግሃስቲ ብቐጥታ ኣይርኣየን።ግን ዳርጋ ኩሎም ክብሃል ይክኣል ንህይወቶም ብምስጋእ መንነቶም ከይፍለጥ ዝሓተቱ እዮም። ተጋሩ ሓደ ግዜ እንተድኣ ተታሒዞም መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብ ኢትዮጵያ ግልፂ ኣብ ዘይኮነ ወታደራዊ ናይ ፍትሒ ስርዓት ንባዕሎም ይረኽቡ።እዚ ማለት ድማ ናይ ውልቆም ጠበቓ ናይ ምቑፃር መሰሎም ይስእኑ እሞ ንዝለዓለ መቕፃዕቲ ምስ ዳኛ ይራኸቡ።እቶም እሱራት ንማእሰርቶም ንምክርኻር ዘለዎም ዕድል ዝተሓተ ብምዃኑ ተስፋ ምቑራፅ ከምዝስምዖምን ዕድሎም ኣብ ኢድ እቶም ብክሕደት ዝኸሰሱዎም ሰባት ከምዝወደቐን ይገልፁ። ሓንቲ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ እትነብር ትግራወይቲ ኣብ መንጎ ወታደራት ዝካየድ ኵናት እትርዳእ እንተኾነት እውን ናይ ምውጋእ ታራ ዘይብሎም ኣብ ኮምኒኬሽንን ምኽባር ሰላም ዝሰርሑን ክልተ ኣኮታታ ምእስራኦም ትቃወም።ሓደ ካብቶም እሱራት ካብ ሕዳር ጀሚሩ ኣይተርኣየን። ‘’እቲ ሓደጋ ኣብ ደሞም ድዩ ዘሎ ኣብ DNA?’’ብምባል ትሓትት።’’ኢትዮጵያዊያን ይመስሉኒ ነይሮም’'ክትብል ትውስኸሉ። እቲ ጃምላዊ ማእሰርቲን ናይ ገዛ ማእሰርትን መቐፀልታ መሰኻኽር ንልዕሊ ሽዱሽተ ሚሊዮን ትግራዎት ንምጥፋእ ዝካየድ ዘሎ ጭፍጨፋ፣ጉጅላዊ ፆታዊ መድፈርቲ፣ምብራርን ብኣስገዳድ ምጥማይን ክብሉ ዝገለፁዎ እዩ።እቶም ማእሰርታት ዘድንቑ እዮም ምኽኒያቱ ኣብይ ኣሕመድ ንኣሽሓት ፖለቲካዊ እሱራት ብምፍትሖም ኣብ ሓደ እዋን ዝተንኣድሉ ስለዝነበረ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ትግራይ ገበነኛታት ኢሉ ዝፀውዖምን ደገፍቶምን ንዝብሎ ብምጉላህ እውን ትግራዎት ዒላማ መንግስታዊ መረኽቢ ማዕኸናት እዮም።ኣባላት ስድራ እሱራት ሓል ሓሊፉ ካብ ስርሖም ይባረሩ፣ካብ ወታደራዊ መንበሪኦም ይባረሩ፣ባንኪ ኣካውንቶም ከይንቀሳቐስ ይግበር። ንኣስታት ሰላሳ ዓመታት ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ዓፋኒ መንግስቲ ፍሉጣት ዝነበሩ መራሕቲ ትግራይ ዘርኢ መሰረት ዝገበረ ፖለቲካ ብምንድጋፎም ብቀዳማይ ምንስቴር ኣብይን ካልኦትን ይውቀሱ።ዶክተ ኣብይ ኣብ 2018 ኣ\\ፈ ስልጣን ምስ ሓዙ ግን ግልስ ኢሎም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሃገራዊ ምርጫ ምስተናውሐ ናይ ባዕሎም ምርጫ ብምክያድ ንናይ ኣብይ መንግስቲ ዘይሕጋዊ ክብሉ ፀዊዖምዎ።መንግስቲ ኢትዮጵያ ተዋጋእቲ ትግራይ ንወታደራዊ መደብር ኣጥቒዖም ክብል ብምኽሳስ ንኣሽሓት ሰባት ዝቐተለ ወታደራዊ ወፍሪ ፈኒዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ደድሕሪ ‘’ላዕለዎት መራሕነት’’ ናይ ቀደም ኣማሓደርቲ ትግራይ እዩ ኢሎም ኣብ ብሪታኒያ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ምንስቴር ፓብሊክ ዲፕሎማሲ መኮነን ኣማረ ንAP ኣብ ዝሃብዎ ቃል።’’ስለዚ ጃምላዊ ማእሰርቲ ወይም ጃምላዊ መግሃስቲ መሰላት ዝብሃል የለን’’ኢሎምኣቶ መኮነን። ቅድም ክብል ብኢንተርኔት ልሒኹ ዝወፀ ቪድዮን ብAP ዝተረጋገፀን ሓደ ላዕለዋይ ወታደራዊ ብዓል ስልጣን ብዛዕባ ትግራዎት ‘'ውሽጥና ክነፅሪ ነይሩና ...ዋላ ኣብ ማእኸሎም ብዙሓት ጥዑያት ሰባት እንተሃለው እውን እቲ ፅቡቕ ካብቲ ክፉእ ክንፈልዮ ኣይንኽእልን።ነታ ሃገር ንምድሓን ከይሰርሑ ክግለሉ ገይርናዮም’’ሎሚ ሓይልታት ፀጥታ ‘’ምሉእ ብምሉእ ኢትዮጵያዊያን እዮም’’ኢሎም ብርጌደር ጀነራል ተስፋየ ኣያሌው ኢሎም ኣብ ሓደ ናይ ውሽጢ ኣኼባ ዝመስል መብርሂ ። ዘርኢ መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲ ሪፖርት ዝግብረሉ ናይ ስልኪ መስመር ከምዝኸፍት ዝገለፀ ቤት ፅሕፈት ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ይኹን ወታደራዊ ወሃቢ ቃል ካብ AP ዝቐረበሎም ሕቶታት ኣይመለሱን።ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ሰባት ኣብ ካምፕታት ይእሰሩ ንዝብሉ ፀብፃባት ኣየረጋገፀን ይኹን እምበር ብናይ ትግራይ ቅልውላው ብዝሓደሮ ሻቐሎት መብዛሕቲኡ ንፀጥታ ንኢትዮጵያ ዝውሃብ ሓገዝ ጠጠው ከምዝበለ ገሊፁ ኣሎ። ብናይ ልቓሕ ስልኪ ድምፁ ኣትሕት ኣቢሉ ካብ ማእሰርቲ ንAP ቃሉ ዝሃበ ካሊእ ትግራዋይ ምስ ካልኦት ልዕሊ 30 ናይ ነፈርቲ ኣብረርቲ \\ፓይሌታት\\ ቴክኒሻናትን ካልኦት ወታደራዊ ሰራሕተኛታትን ብዘይክሲ ተታሒዝና ኣለና ኢሉ።ስድራታት ኣባላት ስድርኦም ኣበይ ከምዘለው ከምዘይፈልጡ ወላዲት ኣዲኡ ኣብ ርሑቕ ኣብ ስራሕ ዘሎ ከምዝመስለን ይገልፅ።ካብ ወታደራዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ንምርካብ ተስፋ ከምዝቖረፀ እውን ይገልፅ። ‘’ሰላም እንተመፂኡ ምናልባሽ ክፈትሑና ይኾኑ’’ ኢሉ ንሱ ‘’ተዘይኮይኑ ግን ናይ ዝሓዋሩ ተስፋ የብልናን። ክቐትሉና እዮም ኢለ እውን እሰግአ እየ’’ ምስ በለ ናይ ስልኪ ቃሉ ብቕፅበት ዛዚሙዎ። ግምት በዝሒ እሱራትን ካፕታትን ይፈላለ እዩ። ብመሰረት ንሓደ ተመራማሪ ዝ ሃቡዎ ግምት ነበር ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ኢትዮጵያን ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ መስራቲ ኢንስቲትዩት መፅናዕትታት ሰላምን ፀጥታን ዝኾኑ ትግራዋይ ሙሉጌታ ገብረሂወት በርሀ እቲ ኵናት ክጅምር ከሎ ካብ ሰራዊት እታ ሃገር ጥራሕ ልዕሊ 17,000 ሽሕ ትግራዎት ተኣሲሮም እዮም ይብሉ። ብእሱራት፣ስድራታት እሱራትን በፃሕትን ዝተፈለጡ እንተወሓደ ትሽዓተ ማእኸላት ሓዊሱ APብርክት ዝበሉ ካልኦት ኣብ መላእ እታ ሃገር ከምዘለው ክሲ ካብ ዝቕርቡሎም ናይ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ዝርዝራት ረኺቡ ኣሎ። ሓደ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከብ ማእኸል ሚራብ ኣባያ ዘምለጠ እሱር ኣብኡ ጥራሕ ልዕሊ 1,500 ሰባት ተታሒዞም ከምዝርከቡ ይገልፅ። ኣብ ካልኦት ክልተ መዳጎኒታት ዝበፅሐ ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ጥራሕ መብዛሒቶም ወታደራዊ ኣዘዝቲ ዝኾኑ 110 ሰባት ከምዝፈቐደን ኣብቲ ካልኣይ ድማ መብዛሕቲኦም ኮማንዶን መኮነናት ሓይሊ ኣየርን ዝኾኑ 270 ከምዝቖፀረ ገሊፁ ኣሎ።ገሊኦም ኣብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ዘገልገሉን ጉድለት ስነ ምግባር ዘይነበሮምን እዮም ይብል።ካብ 40 ክሳብ 50 ብቆርቆሮ ኣብ ዝተሰርሕ ሓደ ክፍሊ ከምዝነበሩ ይገልፅ እዚ በፃሒ።እቶም እሱራት ብጉጅለ ክዘራረቡ ከምዘይፍቀደሎም ወይ ስድርኦም ከምዘይሪኡዎም ወይ ብስልኪ ክራኸቡ ከምዘይፍቀደሎምን እኹል ምግቢ እውን ከምዘረኽቡን ከምዝተዛረቡዎ ይገልፅ። ‘’እቲ ቦታ ኣዚዩ ሃሩር፣ኣዚዩ ኣዚዩ ሃሩር እዩ፣ፅቡቕ የለውን’’ኢሉ እቲ በፃሒ።እቲ በፃሒ ናብቲ መዳጎኒ ናይ ምምልላስ ዕድል ንዘይምዕፃው AP ካብዚ ንላዕሊ ኣይገለፀን።ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ 20 ቦታታት ሰባት ተኣሲሮም ከምዝርከቡ ይዛረብ። ‘’ትፈልጥ ዲኻ ዘፍርሕ እዩ’’ ኢሉ ንሱ።’'እቶም ሰባት ንሃገሮም ዘገልግሉ ወታደራት እዮም ነይሮም ግን ብመንግስቶም ተጠቒዖም.....በቲ ማሕበረሰብ ከም ከድዓት እዮም ተራእዮም፤ስለዝኾነ ድማ ብዛዕባ ስድርኦም ኣዚዮም እዮም ዝጭንቑ ዘለው’’ኢሉ። ስድርኦም ድማ ብዛዕቦም ይሻቐሉ።ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብር ሓደ ኣብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሰራሕተኛት ምምሕዳር ሓይሊ ሰብ ንዝነበረት ወላዲት ኣዲኡ ንዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ሪኡዋን ኣዘራሪቡዋን ከምዘይፈልጥ እናነብዐ ይዛረብ።ናይ ሓው ስድራ ድማ ካብ ወታደራዊ መነበሪ ብሓይሊ ክወፅእ ከምዝተገብረ ብምግላፅ ኣብ ደገፍ ዝተደርበየ ናይ ገዛ ኣቑሑት ዘርኢ ፎቶግራፋት የርኢ። ‘’ንሃገሩ ብእምነት የገልግል ነይሩ’'ኢሉ እዚ ሰብ እዚ ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ ‘’እቲ ኩነታት ፅቡቕ የለን፤ንዓይ ጥራሕ ኣይኮነን ንኩሉ ትግራዋይ’'ይብል። ካሊእ እሱር ኣብ ጎረቤት ሃገር ኣብ ተልእኾ ምዕቃብ ሰላም ተዋፊሩ ከገልግል ድሕሪ ምፅናሕ ናብ ኢትዮጵያ ተፀዊዑ ከምዝተሓዘ ውላዱ ይዛረብ።ብዋሕስ ወፂኡ። AP ንዝተፈትሐሉ ሰነድ ቤት ፍርዲ ፌደራል ሪኡዎ ኣሎ።ግን ዋላኳ ኣብታ ሃገር እንተዘይነበረ እውን ዘይምርግጋእ ትፈጥር ኣለኻ ብዝብል ክሲ መሊሶም ናብ ወታደራዊ ካምፕ ኣእትዮምዎ ይርከቡ። ‘’ትማሊ ኣዛሪበዮ ነይረ።ኣብ ወጥሪ ዘሎ ይመስል’’ኢሉ ውላዱ።’'ወታደራት ብሕቡእ ስልኪ ሂቦምዎ።ሕቡን ሰብ እዩ’’በለ ብምውሳኽ።ወላዲ ኣቡኡ ብሰንኪ ሕፅረት ምግቢ ኽብደቱ ኣስታት ዓሰርተ ኪሎ ከምዝነከየ ይገልፅ። ሓደ ብፌደራል ቤት ፍርዲ ብዋሕስ ዝተፈትሐ ሰብ ናብ ወታደራዊ ስርዓት ምትሕልላፍ ሕጋዊ ኣይኮነን ይብሉ ምስ 75 ጉዳያት ኣባላት ሰራዊትን ፌደራል ፖሊስን ዝነበሩ ተጋሩ ዝሰርሑ ናይ ሕጊ ጠበቓ ታደለ ገብረመድህን።ኣብ ወሰን ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ ሓደ መዳጎኒ ከይዶም ዝርኣዩዎ ክገልፁ ከለው ጠበቓ ታደለ ኣብ ሓንቲ ክፍሊ 25 ሰባት ከምዝድቅሱ፣ምግቢ ኣብ ማዕልቲ ሓደ ግዜ ከምዝወሃቦምን ስድርኦም እውን ከምዘይሪዎምን እዩ።’’ንፁሃን እዮም’’ ኢሎም ጠብቓ ታደለ‘’እቲ እንኮ ነገር ተወለድቲ ትግራይ ምዃኖም ጥራሕ እዩ’’ በሉ ኣስዒቦም። ስቪላት እውን ተታሒዞም ይርከቡ።ሓደ ሰራሕተኛ ብመንግስቲ ዝውነን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዋሕስ ምስተፈትሐ ንሃገሩ ራሕሪሑ ከምዝሃደመ ይዛረብ። ‘’ሎሚ ብጣዕሚ ኢና ንደልየካ’’ኢሎምኒ ክብል ይዝክር ሓደ ሰራሕተኛ ፌደራል ፖሊስ ብዘይዝኾነ ይኹን መብርሂ ካብ ገዝኡ ክወስዱዎ ከለው።ካብ መወዳእታ ሕዳር ክሳብ መወዳእታ ጥሪ ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣስታት 100 ላዕለዎት ወታደራዊ ሰበስልጣን ከምዝርኣየ ይገልፅ። ዓሰርተታት ቀሳውስቲን ዲያቆናትን እውን መብዛሕቲኦም ንሓደ ወርሒ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣሲሮም እዮም ይብሉ ኣብ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ሓላፊ ክፍሊ ላይብረሪን ሙዚየምን ዝኾኑ ልሳነወርቅ ደስታ።ኣብ ጥቓ ሓረር ልዕሊ 2,000 ዝግመቱ ኣባላት ሰራዊት ተኣሲሮምሉ ኣብ ዝርከብ ማእኸል ምስ ዝርከብ ሓደ እሱር ምዝርራቦም እውን ይገልፁ። ‘’ቃላት የብለይን።ከምዚ ዝበለ ፅልኢ ከመይ ገይረ ክገልፆ እኽእል?’’ኢሎም ይሓቱ። ካብ ካምፕታት ወፃኢ በዝሖም ዘይፍለጡ ትግራዎት ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ይርከቡ።ሓደ ንAP ቃሉ ዝሃበ ሰብ ሓንቲ ምስ ሰራዊት ትሰርሕ ነርስ አደ እቲ ኵናት ካብ ዝጅመር ካብ ስርሓ ተኣጊዳ ካብ ገዛ ከይትወፅእ ከምዝተገብረት ይገልፅ። ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ትግራዎት ብሃበ ተረኽበ ይእሰሩ ከምዘለው ዝሕብሩ ፀብፃባት ከምዝፈልጥ ብምግላፅ ‘’ብሰንኪ ጉድለት ግልፅነት’’ ግን ዘተኣማምን ግምት ከምዘይብሉ ሓቢሩ ኣሎ። መንግስቲ ዘጣየሾ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ንሕቶታት AP ኣይመለሰን።ኣብ ክንድኡ ብዛዕባ ትግራዎት እሱራትን ብሄር መሰረት ዝገበረ ምንክልባትን ዘውፅኦ መግለፂ ልኢኹ።እቲ ኮሚሽን ኣብ ቀረባ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ምኽልካል ፍትሓዊ ፍርዲ፣ስድርኦም ከይሪኡዎም ምኽልካል፣ሕክምና ከይረኽቡ ምኽልካል ኣብ ብዙሓት መዳጎኒታት ብስፍሓት ኣሎ፤መብዛሕቲኡ ግዜ እሱራት ኣበይ ከምዘለው ንእስድሮም ክዛረቡ ከምዘይኽእሉ ገሊፁ ኣሎ። እቲ ኮሚሽን ኣብ መጀመሪያ እዚ ዓመት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ናይ ፌደራል ማእኸል ተታሒዞም ንዝርከቡ 21 እሱራት ኣዘራሪቡ ኣሎ።ገሊኦም ‘'ቅድሚ ፍርዲ ዝተናውሐ ማእሰርቲ፣ከምዝፅረፉ፣ምፍርራሕ ከምዝበፅሖም፣ከምዝተወቕዑን ኣብ ቁፅፅር ክውዕሉ ከለው ብጥይት ምቑሳሎምን’'ገሊፆም ኣለው።ይኹን እምበር እቶም እሱራት ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ጥዕናን ቅቡል ዝኾነ ደረጃ ኣብ ዘለዎ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ ኢሉ ኣሎ እቲ ኮሚሽን። ትግራዎት ግን ንናይቲ ኮሚሽን ኣበሃህላ ይሙግቱዎ። ኣብ ጎርቤት ደቡብ ሱዳን ኣባላት ተልእኾ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት መንግስታት ዝነበሩ ልዕሊ ደርዘን ወታደራት ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ነፋሪት ኣይንሳፈርን ኢሎም ተረፎም። እቶም እሱራት ቀፂሉ ዘጋጥሞም ኣይፍለጥን።ንAP ቃሎም ዝሃቡ ክልተ ሰባት ናይ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ፖለቲካዊ ፓርቲ ንምፍላጥ ዝወሃብ ኣስትምህሮ ሓዊሱ ንዕኦም ዳግም ናይ ምምሃሩ ወፍሪ ተጀሚሩ ኣሎ ይብሉ። ሓደ ንAP ቃሉ ዝሃበ ወዲ ሓው ኣብኡ ስልጥና ምውሳዱን ካሊእ ሰብ ድማ ኣብ ቀረባ ስልጠና ክጅምር ከምዝገለፅሎም ይሕብር። ንመንግስቲ ህዝልዎ ሓደጋ እቲ ማእሰርቲ ኣብ ሓደ እዋን ተኣማንነቶም ዝገለፁ ተወለድቲ ትግራይ ናብ ንቑሓት ተቓዋምነት ክልውጦም ይኽእል ዝብል እዩ። ፓይለት ሓይሊ ኣየር ተኽለብርሃን ወልደስላሴ ንሱን መሳርሕቱን ሎሚ ይድለዩ ምስ ዘለው ናይ ትግራይ መራሕቲ ርክብ ኣለኩም ተባሂሎም ከምዝተኸሰሱ ይገልፅ።ካብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ኣምሊጡ ካብታ ሃገር ወፂኡ ኣሎ።መሳርሕቱ ኣብ ደብረ ዘይት ኣብ ጥቓ ዋና ቤት ፅሕፈት ሓይሊ ኣየር ተኣሲሮም ካብ መንጎ ዝርከቡ 1,000 ዝግመቱ ተጋሩ ምዃኖም ከምዝነገሩዎ ይገልፅ። ከሓዲ ተባሂሉ ምጥርጣሩ ዝሰንበደ ንሱ ኢትዮጵያ ንተወለድቲ ትግራይ ዝሓዘትሉ ኣገባብ ካብ ምጉሃዩ ዝተልዓለ ሕዚ ብረት ንምልዓል ድልየት ኣለዎ። ‘’ቀደም ኣብ ጎኒ ትግራይ ኮይነ ንምውጋእ ትልሚ ኣይነበረንን’’ኢሉ ተኽለብርሃነ ‘'ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ዕድል እንተረኺበ ብርግፅ እወ! ንህዝበይ ክከላኸል እየ’’በለ ወሲኹ ተኽለብርሃን ወልደስላሰ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-detains-tigrayans-amid-war\/5873463.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ጸብጻብ ግጭት ምምሕዳር ዋግ ኽምራ ዞባ ኣበርገለ","content":"'ሰራዊት ህወሓት ኣብ ምምሕዳር ዋግ ኽምራ ዞባ ኣበርገለ ድሕሪ ዝፈነዎ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ጉድኣት ኣውሪዱልና' ኢሎም ኣማሓዳሪ’ቲ ወረዳ። ነቲ ግጭት ኣመልኪቱ ድምጺ ወያነ ኣብ ዝፈነዎ ዜና \"ኣብ ኣበርገለ ዓሪዱ ንዝነበረ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ንዕዑ ንከሕግዝ ንዝመጸ ልዕሊ ክልተ ሻለቃን ከምዝደምሰሰ\" ኣፍሊጡ’ሎ። ክልል ኣምሓራ ብወገኑ \"ተረፍ መረፍ ህወሓት\" ብፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ሓይሊ ጸጥታ’ቲ ከባቢን ተሳዒሩ ንድሕሪት ናብ በረኻ ተመሊሱ ይብል። ነቲ ግጭት ኣመልኪቱ \"ሰራዊት ትግራይ\" ኢሉ ንነብሱ ዝጽውዕ ዕጡቅ ሓይሊን ጉዳይ ኮምኒኬሽን ክልል ኣምሓራን ተራጸምቲ መግለጺታት ኣውጺኦም ኣለው። ድምጺ ወያነ፣ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ዝፈነዎ ዜና 'ኣብ ክልል ኣምሓራ ወረዳ ኣበርገሌ ዓሪዱ ንዝነበረ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን፣ ነቲ ሓይሊ ንምሕጋዝ ንዝመጸን ልዕሊ ክልተ ሻለቃ ሰራዊትን፣ ሙሉእ ንሙሉእ ከምዝደምሰሰ' ንወሃቢ ቃል’ቲ ሰራዊት ትግራይ ኢሉ ንዝገልጽ ገብረ ገ\/ጻድቅ ጠቂሱ ጸብጺቡ ኣሎ። ብካልእ ወገን፣ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣብ ወግዓዊ መርበቡ፣ እቶም ‘ተረፍ መረፍ’ ዝበሎም ዕጡቃት፣ ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ዘይቆጻጸሮም ከባቢታት፣ ንጸልማት ተኸዊሉን ተመሳሲሉን፣ ኣብ ልዕሊ ዘይተዓጠቁ ዜጋታትን ንብረትን ጉድኣት ኣውሪዱ ኣሎ’ ከምዝበለ ተፈሊጡ ኣሎ።ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራን ናይ’ቲ ከባቢ ሓይሊ ጸጥታን ብዝወሰድዎ ግብረ መልሲ፣ እቲ ጉድኣት ዘውረዱ ኣካላት ተሳዒሮም ናብ በረኻ ከምዝተመለሱ’ ተጠቂሱ'ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8C%B8%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%89%A5-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%8B%8B%E1%8C%8D-%E1%8A%BD%E1%88%9D%E1%88%AB-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%8C%88%E1%88%88\/5871745.html"} {"headline":"'መንግስቲ ኢትዮጵያ ንተጋሩ ይኣስር'ሎ' ክብል ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ","content":"\"መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንኣሻሓት ተጋሩ ‘ከዳዓት’ ኢሉ ናብ ቤት ፍርዲ ከየቅረበ ንኣዋርሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ስፍራታት ከምዝዳጎኖም\" ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩሓቢሩ። እቶም ዝተዳጎኑ ሰባት፣ ስድራቤቶምን በጻሕቶምን ከምዝብልዎ፣ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ተጋሩ፣ ብውሑድ ናብ ትሻዓተ ከባቢታት (ንወትሃደራዊ ካምፕታትን ኮሌጅ ሕርሻን ሓዊሱ) ከምዘእተውዎም ክጠቅሱ ከለው፣ ሓደ ካብ’ቶም ዝተኣሰሩ መኮንን፣ ንኣሶሴትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ‘ምስ 400 ተጋሩ ተታሒዙ ከምዘሎ፣ ምስ ጠበቃታትን ስድራቤትን ንክራኸቡ ከምዘይፍቀደሎም’ ጠቂሱ። \"ሓደ ካብ’ቶም ዝተዳጎኑ፣ ኣባል ዓቃቢ ሰላም ኮይኑ አብ ጎረቤት ሃገር ዘገልገለ፣ ናብ ሃገሩ ምስተመለሰ ግና ከምዝተታሓዘ፣ ቤት ፍርዲ ብዋሕስ ተፈቲሑ ነይሩ፣ እንተኾነ ‘ኣብ’ታ ሃገር ዘይነበረ ከንሱ ‘ዕግርግር ፈጢርካ’ ተባሂሉ ናብ ወትሃደራዊ ካምፕ ከምዘእተውዎ\" ንወዱ ዝጠቀሰ ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ ናይ ጽባሕ ፈነወ ክቐርብ'ዩ::","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%8C%8B%E1%88%A9-%E1%8B%AD%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%AD-%E1%88%8E-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%B6%E1%88%B4%E1%8B%AD%E1%89%B5%E1%8B%B5-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5871738.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ክልተ ኣብያተ ትምህርቲ ኣስታት 10 ሽሕ ተመዛበልቲ ከምዘለው ተገሊጹ","content":"ይነብርሉ ካብ ዝነብርሉ ከባቢታት ተመዛቢሎም ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ከተማ መቐለ ቤት ትምህርቲ ማይ ወይኒ ካብ ሑመራን ከባቢኣን ዝመፅኡ ልዕሊ 7000 ዝኮኑ ተመዛበልቲ ምህላዎም: ኣብ ቤት ትምህርቲ ቅሳነት ፈላማይ መፅለሊ ካብ ሑመራን ከባቢኣን ዝመፅኡ ድማ 752 መራሕቲ ስድራ ዝርከብዎም ልዕሊ 3000 ተመዛበልቲ ከም ዘለዉ መተሓባበሪ እቶም ተመዛበልቲ ተስፋይ ብርሃኑ ገሊጹ:: No media source currently available ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AB%E1%89%B0-%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-10-%E1%88%BD%E1%88%95-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5870399.html"} {"headline":"ኣብ ሰሜን ሸዋ ብዝተላዕለ ግጭት 600 ሽሕ ሰባት ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ሰሜን ሸዋን ብሄረሰብ ኦሮሞን ከምኡ'ውን ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ ካማሼ ብዝተላዕለ ግጭት ኣስታት 600 ሽሕ ሰባት ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም ናይ ኢትዮጵያ ተቋም ሓባሲ ንብዓት ኣፍሊጡ። ዋና ሓባሲ ንብዓት ዶክተር እንዳለ ሃይሌ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ካብ ዝሓለፈ 10 መጋቢት ጀሚሩ ዕጡቓት ሓይልታት ብዝፈነውዎ መጥቓዕቲ ኣብ ዞባታት ሰሜን ሸዋን ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞን ብአማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ኣለው። ኣብ ክልቲኦም ዞባታት ልዕሊ 330,000 ሰባት ተዓቒቦም ከምዝርከቡ ኣፍሊጦም። ኣብ ቤንሻጉል ጉምዝ እውን ብተመሳሳሊ ፀገም ከምዘሎ ሓቢሮም። ክልል ኣምሓራ ናይቲ ከባቢ ሰላም ብምዝራግ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምሓራን ኦሮሞን ፅልኢ ብምቕስቃስ ይሰርሕ ኣሎ ንዝበሉዎ 'ኦነግ ሸኔ' ተሓታቲ ክገብር ከሎ መንግስቲ 'ኦነግ ሸኔ' ኢሉ ዝፅውዖ ንርእሱ ናይ ኦሮም ነፃነት ሰራዊት ኢሉ ዝፅውዕ ግን ኣብቲ ከባቢ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ምንቅስቓስ ከምዘይገብር ብምግላፅ ኣሉታዊ መልሲ ሂቡ ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%88%B8%E1%8B%8B-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-600-%E1%88%BD%E1%88%95-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%90%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5870342.html"} {"headline":"ግብረመልሲ መንግስቲ ኤርትራ- 'ወታሃደራት ኤርትራ ረድኤት ይክልክሉን ይዘርፉን ኣለው' ንዝብል ጸብጻብ ኤኤፍፒ","content":"ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገ\/መስቀል ነቲ ብኤኤፍፒ (ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ) ዝተቃለሐ \"ወትሃደራት ኤርትራ፣ ኣብ ትግራይ ናብ ህዝቢ ንዝላኣኽ ረድኤት ከይሓልፍ ከልኪልምን ዘሪፎምን\" ዝብል ሪፖርት ነጺጎምዎ። ኣቶ የማነ \"ክፍኣት ዝዕላምኡ ወፍሪ ጸለመ ኣንጻር ኤርትራ ብዘይ ምቁራጽ ቀጺሉ ኣሎ፣ ሓደ ካብ’ዞም ወፍሪታት’ዚኦም ኤኤፍፒ ካብ ዘይተፈልጡን ዘጠራጥሩን ምንጭታት ዝፈብረኮም ተኸታተልቲ ጠቀነታት \"ወትሃደራት ኤርትራ፣ ኣብ ትግራይ ንረድኤት እኽሊ ከይሓልፍ ከልኪሎምን ዘሪፎምን\" ዝብል እዩ\" ይብሉ ። ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ኣብ ዝዘርገሖ ተኸታተልቲ ናይ ትዊተር መልእኽቲ \"ኣብ 1999 ዝነበረ ውግእ ዶብ ምስ ኢትዮጵያ፣ ዳይረክተር ትካል ስግር ባሕሪ ረድኤት ኣሜሪካ (ዩኤስኤኣይዲ) ናብ አዲስ አበባን ኣስመራን ተመላሊሶም፣ ረድኤት ብወደብ ዓሰብ ዝኣትወሉን ብመንጽር እቲ ሽዑ ኣጉኒፉ ዝነበረ ቅልውላው ንወደብ ጂቡቲ ዝሕግዘሉ ኩነታት ሓቲቶም ነይሮም\" ይብል። \"ሽዑ ኤርትራ ነቲ ውጥን ተቀቢላን ወግዓዊ መግለጺ ኣውጺኣን እያ። እንተኾነ ካብ ነዊሕ ርሕቀት መጉዓዝያ ስለዝኸስብ ህወሓት ንሰማርያዊ ተበግሶ ኤርትራ ነጺግዎ\" ኢሎም። ኣገዳስነት እዚ ፍጻመ’ዚ ምጥቃሱ ይብሉ ኣቶ የማነ ኤርትራ ኣብ ሰብኣዊ ቀረባት ትኽተሎ ነቅ ዘይብል መትከል ንምጉላህ ስለዝስምር እዩ። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ መሓውራት ዜና ንዝተፈብረኩ ሓበሬታታት ብዘይውሑድ ምጽራይ ስለምንታይ ደጋጊሞም የቃልሑ? ኢሎም ይሓቱ። ኣቶ የማነ ገ\/መስቀል ኣብ ዝዘርግሕዎ ትዊተር \"ትማሊ ንኤኤፍፒ ሙሉእ ምላሽ ዝተዋሃቦ’ካ እንተኾነ፣ ሎሚ ድማ ኣል ጃዚራ '\"አዋን ኣዝመራ ካብ መስከረም ክሳብ ሕዳር ኮይኑ እናሃለወ፣ ወትሃደራት ኤርትራ፣ ንዘራእቲ የቃጽሉ ኣለው\" ዝብል ሪፖርት ከምዘውጽእ ሰሚዔ ኣለኹ\" ይብሉ። ኤኤፍፒ ኣብ’ቲ ትማሊ ዘቃለሖ ዜና \"ብዘይጠቀወ እንግሊዝኛ ዝተፃሓፈ ሰነድ ከምዝበጽሖን እቲ ሰነድ \"ወትሃደራት ኤርትራ፣ ናብ’ታ ብውግእ ዝተሃሰየት ትግራይ ንዝተላኣኸ ረድኤት ንከይሓልፍ ከምዝከልከሉን ከምዝዘረፍዎን\"ጠቂሱ ኣሎ። እቲ ትካል ዜና ወሲኹ \"እቲ ሰነድ ወትሃደራት ኤርትራ፣ ናብ ረድኤት ዝከፋፈለሉ ስፍራ ድሕሪ ምእታዎምን ተጠቀምቲ ፈሪሖም ካብ’ቲ ስፍራ ምስሃደሙ፣ እቶም ወትሃደራት ስርቂ ከምዝፈጸሙን\" ሓቢሩ እዩ። ትማሊ ሰሉስ ንኤኤፍፒ ርእይትኦም ዝሃቡ ሓላፊ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዶ\/ር ሙሉ ነጋ ብወገኖም \"ሰባት ብዛዕባ መገዲን ምዕዳል እኽሊን የማርሩ ኣለው፣ ዝምልከቶም ሰበ ስልጣን የጻርይዎ ኣለው\" ከምዝበሉ ክጠቅስ ከለው መራሒ ኮማንድ ፖስት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ዮሃንስ ገ\/መስቀል ብወገኖም \"ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ክልተ ሰሙናት፣ ረድኤት ንከይሓልፍ ናይ ምኽልካል ጸገም ኣጉኒፉ ኣሎ፣ ብሕልፊ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዝቆጻጸሮ መገዲ ዓዲግራት ኣኽሱም\" ከምዝበሉ ኤኤፍፒ ጠቂሱ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%A8%E1%8B%B5%E1%8A%A4%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%AD%E1%88%89%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%8B%98%E1%88%AD%E1%8D%89%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8C%B8%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%8A%A4%E1%8D%8D%E1%8D%92-\/5870081.html"} {"headline":"ጸብጻብ: ኣብ ጉዳይ ኣብ ክልል ትግራይ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዘጋጥም መጥቓዕቲን ብዝምልከት ጆርጅ ታውን ዩኒቨርሲቲ ዘዳለዎ ዘተ","content":"ሰላምን ፀጥታን ደቂ ኣንስትዮ ዩኒቨርሲቲ ጆርጅ ታውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክልል ትግራይ ብዘሎ ቅልውላው ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝበፅሕ ዘሎ ኣካላውን ስነ ኣእሙሮኣዊን ማሕሰይቲ ንምዝታይን ብጭቡጥ ኣብቲ ቦታ እንታይ ይፍፀም ኣሎ ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ዝተፈላለያ መዳያት ኣብ ደቂኣንስትዮንኣዋልድን ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ጉድኣት ዝተዓዘባ ኣጋይሽ ዓዲሙ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ዝተዳለወ ዘተ ኣካይዱ ። እዚ ላዕለወይቲ ዳይሬክተር ጆርጅ ታዎን ዩኒቨርሲቲ ሰላምን ፀጥታን ደቂኣንስትዮ ኣምባሳደር ሜላኔን ቬርቨር ዝመርሕኦ ዘተ ኣብ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ትካላት ሕቡራት ሃገራት ውክልና ዘለወንን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ዘይመንግስታዊ ትካላት ሓገዝን ከምኡ'ውን ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ ዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ክምስክራን ዝፈልጠኦ ከካፍላን ኣጋይሽ ዓዲሙ እዩ ዘትኡ ጀሚሩ ። ኣብቲ እዋን እቲ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ብማሕበራዊ ገፃት እቲ ትካል 'ውን ብቀጥታ ከምዝፍኖ ዝገለፃ ኣምባሳደር ሜላኔን ነቲ ዝዘራረባሉ ዝነበራ ርእሰጉዳይ ተሳተፍቲ ሓባራዊ መረዳእታ ክህልዎም ተባሂሉ ቢቢሲ ካብ ዝፈነዎ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝወርድ ዘሎ መጥቓዕቲ ዝምልከት ዝተወሰነ ብምርኣይ እዩ ጀሚሩ ። ብድሕሪ'ዚ ኣምባሳደር ሜላኔን ቬቨር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቤት ፅሕፈት ዋና ፀሓፊን ኣብ ጎንፂታት ንዝፍጠሩ ፆታዊ መጥቓዕቲታት ዝከታተል ቢሮ ፍልይቲ ተወካሊት ፕራሚላ ፓተን ነቲ ኩነታት ካብ መፈለምትኡ ክከታተለኦ ብምፅንሐን ኣብዚ እዋን እቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝበፅሐ መጥቓዕቲ ቤት ፅሕፈተን ዛጊት ዝበፅሖ ብርክን ክገልፃ ዓዲመንኣን:: ፕራሚላ ፓተን ፆታዊ መጥቓዕቲ መስርሕ ኲናት ካብ ምዃኑ ወፂኢ ታሪኽ ክኾኑ እናተገበዓኦም ሎሚ'ውን ቀንዲ መዘራረቢ እዚ እዋን ኮይኑ ይርከብ ። ኣብቲ ጎቦታት ዝበዝሕዎ ገጠራት ሰሜንን ማእኸላይን ትግራይ ደቂኣንስትዮን ኣዋልድን ንምግማቱ ዘፀግም ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ፆታዊ መጥቓዕቲ ይወርደን ኣሎ ክብላ ነቲ ዘለወን ሓበሬታ ከዘንትዋ ጀሚረን ። \"ኣብ ቀረባ እዋናት ሰብኣዊ ሓገዛት ዝህቡ ትካላት መፅናዕቲ ዘካይዱ ኣካላትን ጋዜጠኛታትን ናብቲ ክልል ክኣትዉ ብምፍቃዶም ጭካነ ዝተመልዓኦም ዝተፈፀሙ ፆታዊ መጥቓዕቲታት ፣ዩኒፎርም ብዝለበሱ ደቂተባዕትዮ ንደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ኣገዲዶም ናብ ካምፕታቶም ብምውሳድ ንሰሙናት ዓጊቶም ዝተፈላለዩ በደላት ከምዝፍፅሙን ፣ ኣብ ገለገሊኡ ድማ ፆታዊ ዓመፃት ክፍፀመን ከሎ ስድረአን ክሪኡ የገድድዎም ከምዝነበሩ ዝሕብሩ ታሪኻት ክወፁ ጀሚሮም ። መዓልታዊ ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ድማ ሓደስቲ ተገዲደን ዝተዓመፃን ብጉጅለ ብዝዕምፅወን ጉድኣት ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ዋላ እኳ ንህይወቶም ዘስግእ እንተኾነ ኣብተን ዝተረፋ ክሊኒካትን መዕቆቢታትን ኣገልግሎት ጥዕና ይህቡ ኣለዉ።\" ካብ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ቤት ፅሕፈተን ይበፅሕዎ ብዝነበሩ ሓበሬታታት ነቲ ኩነታት ክከታተሎ ከምዝጀመረ ዝሓበራ ፕራሚላ ኣዝዮም መስካሕካሕትን ረበሽትን ታሪኻት ካብ ኣፍ ግዳያት ደቂ ኣንስትዮ ከምዝሰምዓን ፤ ተፃባእቲ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ከም መስርሕ ኲናት ምጥቃም ጠጠው ከብሉን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራትን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብሓባር መርመራ ከካይዱ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ብቅልጡፍ ክጅምርዎ ፃውዒት ኣቅሪበን ። “ፈለማ ኩሎም ተፃባእቲ ወገናት ዓለምለኸ ሰብኣዊ ሕግታት ከኽብሩ ፣ካልኣይ ብፆታዊ ዓመፃት ዝተጠቅዓ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ወሰንቲ ኣገልግሎታት ሕይወት ኣድሕን ሕክምናውን ስነኣእሙሮኣዊን ኣገልግሎት ክረክባ ምስ መንግስቲ ኢዮጵያን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብምዝርራብ ሓደ ፅቡቅ ጅማሮ ክበሃል ዝኽእል ርክብ በፂሕና ኣሎና ። ነዚ ድማ ምስ ምስ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ብምዝርራብ ሓባራዊ ፃዕሪ ፣ ፖለቲካዊን ገንዘባዊ ሓገዛትን ንምርካብ ንሰርሕ ኣለና::” ዋላ'ኳ ኣብ ፈለማ እዋናት ማሕበራዊ መራኸቢታት ዕፁዋት ብምንባሮም ሕቡራት ሃገራት ነቶም ፍፃመታት ዘረጋግፅሉ ኩነታት እንተዘይነበሮ ይኹን 'ምበር ኢድና ዓፃፂፍና ኮፍ ኣይበልናን ። እዚ ድማ መበገሲ እቶም ዝኾኑ ዘለዉ 'ምበር እቲ ብድሕሪ'ዚ ዘሎ ስራሕ ርክባት ምፍጣር እዩ ነይሩ ። ብድሕሪ እዚ 108 ደቂ ኣንስትዮ ከምዝተዓመፃን ምናልባት'ውን እቲ ቁፅሪ ካብኡ ክዛይድ ከምዝኽእል ካብ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣካላትንሓበሬታ ክርከብ ተኻኢሉ'ዩ ኢለን። \"ኣገልግሎት ጥዕና ዝህቡ ኣካላት ግዳያት እናበዝሓ ብምምፀአን ሕፅረት ቀረብ መድሓኒታት መከላኸሊ ጥንሲን መነፀሊ ጥንሲን ፣ ብምኽንያት ዝበፅሐን ፆታዊ መጥቓዕቲ ቅልውላው ስነ ኣእምሮ ይገጥመን ከምዘሎ ዝረኸብናዮም ሓበሬታታት እቲ ፆታዊ ብስፍሓት ይፍፀም ከምዘሎ ዘርኢ እዩ ። ከምኡ'ውን ነዚ መጥቓዕቲ እናተኸታተሉ ኣብ ዝምዝግቡ ሰራሕተኛታትን ጋዜጠኛታትን ምፍርራሓት ፣ናብ መዕቆቢ ግዳያት ብምእታው ፈተሻታት ምክያድ ዝበሉ ሓበሬታታት 'ውን ረኺብና እዚኦም ኩሎም ኣብ ቀጠናታት ኲናት ዝፍፀሙ ልሙዳት በደላት እዮም ።ብሙዃኑ ወሰንቲ ምልክታትን መጠንቀቅታታትን ሙኳኖም ተረዲእና ድምፂ እተን ደቂ ኣንስትዮ ክንከውን ጀሚርና። \" ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፋ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚት ተወካሊት ሃገረ ኣየርላንድ ኣምባሳደር ጀራልዲን በርለን'ውን ኢትዮጵያ ካብተን ነዊሕ ዕድመ ዘቁፀራን ምስ ሃገረን ስጡም ርክብ ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ሙዃና ድሕሪ ምግላፅ ልዑል ዋጋ ዝወሃቦ ምሕዝነት ከምዝኾነ'ውን ሓቢረን ። ብሙዃኑ ድማ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ዘለና ድልየት ዝለዓለ እዩ ኢለን ።ሎሚ ንጉሆ ኣብዚ ክዛረብ ከለኹ ግን ነተን እዚ ኹሉ ዝወርደን ዘሎ በደላት ተሰኪመን ብፅንዓት ዝተረፋ ደቂ ኣንስትዮ ዘለኒ ክብሪ ክገልፅ ይፈቱ ድሕሪ ምባለን ኣየርላንድ ነቲ ዘሎ መስካሕካሓይ በደላት ድምፃ ተጠቂማ ምቅላዓ ክትቅፅል እያ ኢለን ። \"እዞም መደንገፅቲ በደላት ስልታዊ ብዝኾነ መገዲ ዝተፈፀሙን ኣዚዮም ብዙሓት ግዳያት ክህልዉ ከምዝኽእሉ ርዱእ እዩ ። መብዛሕትኹም ኣብዚ ዘለኹም ተሳተፍቲ በብሰዓቱ እተንብብዎን ትሰምዕዎን ክኸውን ይኽእል ።ንሕና'ውን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዝተፈላለዩ መዳያት ስለእንሰርሕ ኣዝዮም ዘስካሕክሑ ታሪኻት ሰሚዕና ኢና ፤ ከምዘይሰማዕና ኮይና ክንሓልፎም ድማ ኣይንኽእልን ዝያዳ ዘገድሰና እቲ ክቡር ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሙዃኑ እዚኦምን ካልኦትን ዝፍፀሙ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ጠጠው ንኽብሉ ኣየርላንድ ከምተመራፂት ኣባል ባይቶ ፀጥታ ድማፃ ምስማዓ ክትቅፅል እያ::\" ካልእ ኣብቲ ሰላምን ፀጥታን ደቂ ኣንስትዮ ጆርጅ ታዎን ዩኒቨርሲቲ ዘዳለዎ ብቪድዮ ዝተኻየደ ዘተ ዝተሳተፈት ቅድም ክብል ኣብ ትግራይ ንደቂ ኣንስትዮ ኣብዝረብሑ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ስራሕት ክትነጥፍ ዝፀንሐት ፋናየ ሓጎስ ብፍላይ ድሕሪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ድማ ነቲ ዝበፅሕ ዘሎ ፆታዊ ዓመፃትን በደላትን ኣባል ዳያስፖራ ተጋሩ ኮይና ከተቃልዕ ፀኒሓ እያ ። እቲ ኣብ ትግራይ ከተማ መቀለ ዝርከብ ሴፍ ሃዉስ እናተባህለ ዝፍለጥ መዕቆቢ ደቂ ኣንስትዮ ግዳያት ፆታዊ ዓመፃት ሓገዝ ይህብ ከምዘሎ ይፍለጥ ።ንስኺ ድማ መዓልታዊ ርክብ ስለዘሎኪ እተን ግዳያት ኣብቲ ቦታ ሰላም'ዶ ይስመዐን ክብላ ኣሰናዳኢት እቲ ዘተ ኣምባሳደር ሜላኔን ቬቨር ሓቲተንኣ ነይረን። “ ሰላም ኣይስመዐንን ምኽንያቱ ጥርዓነን ዘቅርባሉ ሕጊ የለን ፣ፍትሒ የለን። ብዛዕባ ዝበፅሐን መጥቓዕቲ ኮነ ሓደጋ ዝዛረባ ሕክምና ንኽረኽባ ጥራሕ እዩ ። ኣብዚ እዋን ሓለዋ ክህበን ኮነ ክጣበቀለን ዝኽእል ኣካል ምርካብ ዘይሕሰብ እዩ ። እቲ ንደሕንነተን መሐለዊ ክኸውን ተባሂሉ ዝተዳለወ ቦታ'ውን ወተሃደራት ኣትዮም ከምድላዮም ዝበትዎ ቦታ ኮይኑ እዩ ።” ብድሕሪ'ዚ ካብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ዝማእከለን ኽልተ ሓገዝ ወሃብቲ ዘይመንግስታዊ ትካላት ኬር ኢትዮጵያ ወኪለን ዝተሳተፋ ኣጋይሽ: ኣብ ኬር ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ሓደጋ ኣማኻሪት ስነፆታ ዝኾነት መሆን ኣፈወርቅ ዝረኣየቶን ዝተፈፀሙ ክስተታትን ምስ ካልኦት ተመሳሰልቲ ኣጋጣምታት ኣተሓሒዛ እዚ ዝተፈለየ ዝገብሮ: “ ምስቲ ዝኻየድ ዘሎ ህሉው ጎንፂ ተኣሳሲሩ ፆታዊ ዓመፃት ዝመሰረቶም ዝተፈላለዩ ፆታዊ በደላት ይበፅሐን ከምዘሎ ኣረጋጊፅና ኢና ።ካብቶም ዳህሳስ ዘካየድናሎም ከባቢታት ከምእተረዳእናዮ ካብ ሓደጋ ዘብፁሑሎም ክሃድሙ ክብሉ ምስ ወለዶምን ሓብሐብቶምን ዝተጣፍኡ ህፃናት ከምዘለዉ ፣ ከምዚ ዓይነት በደላት ክፍፀሙ ከለዉ'ውን ከይደን ዝሕከማሎምን ዝጠርዓሎምን ጥዕና ጣብያታትን መሓዉር ፍትሕን ብዘይምሕላዉ እቲ በደል ክበኣኣስ ከምዝገበሮ እዚ ድማ ቅድም ክብል ካብ ካብ ዝተዓዘብናዮ ተመሳሳሊ ጎንፅታት ዝፈልዮ እዩ ።” ዳይሬክተር ኬር ኢትዮጵያ ኤስተር ዋት ድማ ነቲ ተበፃሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣመልኪተን ትካላን ዝገጥሞ ዘሎ ፈተናን ኣብሪሃ ። “ከም ወሃብቲ ሓገዝ ክንበፅሐሎም ዝተፈቅዱ ከባቢታት ኣለዉ ። ይኹን እምበር ኣዝዮም ፈተንቲ እዮም ። ስጋብ ሓሙሽተ ዝበፅሑ ዝተፈላለዩ ሰበስልጣናት ክፈቅዱ ኣለዎም ምስኡ ድማ በየናይ ከባቢ ፣ምናልባት'ውን ህሉው ኲናት ዝካየደሉ ዘሎ ኸባቢ ክከውን ይኽእል ፣ንሱ ድማ ንደሕንነትና'ውን ዘስገእ ይኸውን ። ብሙዃኑ እቶም ምሳና ሓቢሮም ዝጓዓዙ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሕለፉ ስጋዕ ዝብሉና ንመዓልታት 'ውን ንፅበ ። ከምኡ'ውን ፍሉጣት መዓደሊ ማእከላት ብዘይምህላዎም ከምኡ'ውን ኣገልግሎት ስልኪ ብዘይምሕላዉ ቀልጢፍካ ሓበሬታታት ክንቀባበል ኣይክእኣልናን።” ኣብ መወዳእታ ኣምባሳድር ማለኔ ቬቨር ብርግፅ ስጋብ ሐዚ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተሰርሑ ጸኒሖም እዮም።ይኹን እምበር ሐዚ ግና ቀልጢፍና ናብ ተግባር ክቅየር ብምፅዓር ነተን ኣብ ፀበባ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ድምፂ ክንኮነለን ይግባእ ኢለን:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%B8%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8B-%E1%8B%B0%E1%89%82-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%88%8D%E1%8B%B5%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A5%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8C%86%E1%88%AD%E1%8C%85-%E1%89%B3%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%89%A8%E1%88%AD%E1%88%B2%E1%89%B2-%E1%8B%98%E1%8B%B3%E1%88%88%E1%8B%8E-%E1%8B%98%E1%89%B0\/5869012.html"} {"headline":"ንኩነታት ኣብ ክልል ትግራይ ዘለው ኤርትራዊያን ስደተኛታት ብዝምልከት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝተኻየደ ሰልፊ","content":"ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝርከባ ኤርትራዊያንን ኤርትራዊያን ኣመሪካዊያን ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ሽግር ስለዘለው ካብኡ ክወፁን ኣብ ዘለውሉ ድማ ኣድላይ ሓገዝ ክግበረሎምን ዝሓተት ሰልፊ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ናይ ሕቡራት ሃገራት ወኪል ስደተኛታት ዝሓለፈ ዓርቢ ድምፀን ኣስሚዐን ኣለዋ። ንኩነታት እዞም ስደተኛታት ዝምልከት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንደ ኣብ መጀመርታ ወርሒ የካቲት ኣብ ኢትዮጵያ ዝበጽሕሉ እዋን ዝበልዎን ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብትዊተር ዝሃብዎ ቃልን ብምጥቕላል ዝተዳለወ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8B%E1%88%BD%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%89%B0%E1%8A%95-%E1%8B%B2%E1%88%B2-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BD%E1%8B%93%E1%8B%A8%E1%8B%B0-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8A%BB\/5868958.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ነቲ 6 ኣዋርሕ ኣቁጺሩ ዘሎ ውግእ ትግራይ ደው ንክተብሎ፣ ኣሜሪካ ትደፍእ ኣላ","content":"ኢትዮጵያ፣ ነቲ 6 ኣዋርሕ ኣቁጺሩ ዘሎ ውግእ ናይ ትግራይ ደው ንክተብሎ፣ ዩናይትድ ስቴትስ ትደፍእ ኣላ። ሰበ ስልጣን ዩናይትድ ስቴትስ፣‘መላፍንቲ ዝበሎም ወትሃደራት ኤርትራ፣ ካብ ትግራይ ንክወጹ’ውን ይጽውዑ ኣለው’። ክሳብ ሽዑ ግና መራሒ ኢትዮጵያ ቀ\\ሚ ኣብዪ ኣሕመድ፣ ነቲ እናሓደረ ይጋደድ ዘሎ ሰብኣዊ መሰላትን ኩነታት ሰብኣዊ ሓገዛትን ኣብ ትግራይመታን ደው ከብልዎ ጸቅጢ ንምሕዳር፣ ዩናይትድ ስቴትስ፣ ካብ ሰብኣዊ ሓገዛት ወጻኢ ንኢትዮጵያ ትልግሶም ደገፋት ገቲኣቶ ክትጸንሕ እያ። ኣብ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ሓጋዚ ጉዳያት ኣፍሪካ ሮበርት ጎደክ ትማሊ ሶኑይ ብስልኪ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ‘’መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዕታትን ጠጠው ክብል ንደሊኢና።ኤርትራዊያንን ናይ ኣምሓራ ሚሊሽያን ክወፁ ንደሊ ኢና።ናይ ብሓቂ እቲ ግጭት ከብቅዕ ኣለዎ’’ ኢሎም። ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ሎማዕንቲ ሰሉስ ብኢንተርኔት ወይም ብቨርቺዋል ኣቢሎም ምስ ሰበስልጣን ኬኒያን ናይጀሪያን ክራኸቡ እዮም።ኣብቲ ኣኼባ ዝርርብ ካብ ዝገበረሎም ኣጀንዳታት ‘’ምሕያል ዴሞክራሲያዊ ምሕደራን’’ ‘’ህንፀት ዘላቒ ድሕነትን’’ዝብሉ ከምዝርከቡዎም ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኔድ ፕራይስ ሓቢሮም። ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ‘’ዞባዊ ጉዳይ’’ ን ’'ንመላእ እቲ ዞባ ሓደጋ ዘስዕብ እዩ’’ኢሎም ጎደክ።ዩናይትድ ስቴትስ ነዚ ዘጨንቕ ኩነታት ጠጠው ንምባል ምስ ካልኦት መራሕቲ ኣፍሪካ ‘’ ብቐረባ ትራኸብ’’ ከምዘላ ወሲኾም ገሊፆም። ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ‘’ ወፍሪ ምኽባር ሕግን ስርዓትን’’ ኢሎም ዝፅውዕዎ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ናይ ፌደራል ወታደራዊ መደብራት መጥቓዕቲ ፈፂሞም ብዝብል ንመራሕቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ \\ህወሓት\\ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ንምውዓልን ዕጥቖም ንምፍታሕን ኣብ ሕዳር ንሰራዊት ኢትዮጵያ ትእዛዝ ሂቦም። ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ 26 መጋቢት 2021 ኤርትራ ሓይልታት ካብ ትግራይ ንምስሓብ ተሰማሚዓ ኢሎም። ሰበስልጣን ዩናይትድ ስቴትስ ግን ምውፅኦም ዘረጋግፅ መርትዖ የለን ክብሉ ይገልፁ። ብሊንከን ትማሊ ሶኑን ‘’ኤርትራ ወታደራታ ካብ ትግራይ ክተውፅእ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝኣተዎ ቃል ብዘይ ውዓል ሕደር፣ምሉእ ብምሉእን ብዝረጋገፅን ኣገባብ ክፍፅሙ ብስልኪ ኣቢሎም ንኣብይ ኣተሓሳሲቦም’’ኣለው ኢሉ ኣሎ ምንስቴር ጉዳይ ወፃኢ። ሓዱሽ ዝተሸሙ ፍሉይ ልኡኽ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ጀፈሪ ፌልትማን ኣብ ቀረባ ማዕልታት ናብ ኢትዮጵያ ክገሹ ትፅቢት ይግበር። ትማሊ ሶኑይ ንቪኦኤ መግለፂ ዝሃቡ ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዘይውዕ እትቦ ዝነበ ረ ሓገዝ ጠጠው ምባላ ከምእትቕፅልን ሰብኣዊ ረድኤት ምሕጋዛ ግን ከምትቕፅለሉን ሓቢሮም።’’ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘሎ ሃዋህው ዝበዝሕ ንፕሮግራም ዘፈር ፀጥታን ካልኦት ፕሮግራማትን ደው ዝበለ ሓገዛት ንከይልዓል ወሲና ኣለና’’ኢሎም እቶም ወሃቢ ቃል። ዩናይትድ ስቴትስ ንኢትዮጵያ እትህቦም ካብ ዝነበሩ ሓገዛት ጠጠው ዘበለቶ ብምኽኒያት ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብፅን ምስሕሓብ ብዘይምፍትሓ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነይሩ። ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ከምዝበሎ ዋሽንግተን ንኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ምሃብ ክትቕፅለሉ እያ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሽርክና ንምህናፅን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገራዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ድልውቲ እያ ኢሉ ኣሎ። ብሰንኪ ወታደራዊ ግጭት ትግራይ ኣሽሓት ተቐቲሎምን ካልኦት ኣሽሓት ድማ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ተመዛቢሎምን እዮም።ዓሰርተታት ኣሽሓት ድማ ናብ ሱዳን ሃዲሞም እዮም።ብመሰረት ሕቡራት መንግስታት ልዕሊ ሓሙሽተ ሚሊዮን ህዝቢ ትግራይ ግዳይ ህፅረት ምግቢ፣ማይን መድሓኒትን ኮይኑ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/us-continues-non-humanitarian-assistance-pause-to-pressure-ethiopia-to-end-tigray-conflict\/5868770.html"} {"headline":"ሚ\/ጉ\/ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ብቴሌፎን ምዝርራቦም ተገሊጹ","content":"ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ሎሚ ሶኑይ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ከምዝተዘራረቡ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይስ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሮም። ኣንቶኒ ብሊንከን ኣሜሪካ ኣብ ክልል ትግራይ እናኸፍአ ይኸይድ ዘሎ ሓደጋ ዓፀቦ ከምኡ'ውን ኣብ ካልኦት ክፋላት እታ ሃገር እናወሰኸ ይኸይድ ዘሎ ዘይምርግጋእን ሓዊሱ ኣብታ ሃገር እናሓመቐ ይኸይድ ብዘሎ ሰብኣውነትን ናይ ሰብኣዊ መሰላት ቅልውላውን ከቢድ ስግኣት ከምዘለዋ ደጊሞም ገሊፆምሎም ኣለው። እቶም ሚኒስትር ኤርትራ ወታደራታ ካብ ትግራይ ንምውፃእ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝኣተውኦ ቃል ብዘይውዓል፣ምሉእ ብምሉእን ብዝተረጋገጸ ኣገባብን ክፍፅሙ ኣተሓሳሲቦምዎም ኣለው።እቶም ሚኒስትር ካብዚ በተወሳኺ ወታሃደራት ኤርትራን ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ኣብ ትግራይ ይውስኽ ንዘሎ ሰብኣዊ ሓደጋን ይፍፀሙ ዘለው ሰብኣዊ መግሃስትታትን ክውስኽ ኣበርኽቶ ይገብር ኣሎ ኢሎም። ኣንቶኒ ብሊንከር ኩሎም ኣብቲ ግጭት ይሳተፉ ዘለው ኣካላት ብዘይውዓል ሕደር ተፃብኦ ጠጠው ከብሉ ኣስሚሮምሉ። ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ብናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽንን ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትብሓባር ክምርምርዎ ብሓጎስ ከምዝቕበሉዎም ብምግላፅ ፈፀምቲ ክሕተቱ ኣስሚሮምሉ። ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ፍሉይ ልኡኽ ምሻሞም ብግልፃ ኣምባሳደር ፌልትማን ኣብ ዝቕፅሉ ማዕልታት ናብ ኢትዮጵያ ከምዝጉዓዙ ሓቢሮም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%89%B6%E1%8A%92-%E1%89%A5%E1%88%8A%E1%8A%95%E1%8A%A8%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%89%A5%E1%89%B4%E1%88%8C%E1%8D%8E%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%88%AB%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5867545.html"} {"headline":"ተአሲሮም ዝነበሩ ኣመራርሓ ሳልሳይ ወያነ ምፍትሖም እቲ ውድብ ገሊጹ","content":"ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣመራርሓ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ከምዝተፈትሑ እቲ ውድብ ገሊፁ:: ምክትል ኣቦ መንበር ኣይተ ኣሉላ ሃይሉን ሓላፊ ፋይናንስ እቲ ውድብ ኣይተ ካሕሳይ ሃይሉ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣማስዩ ከምዝተፈትሑ ተገሊፁ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%8A%A0%E1%88%B2%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A9-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%AD%E1%88%93-%E1%88%B3%E1%88%8D%E1%88%B3%E1%8B%AD-%E1%8B%88%E1%8B%AB%E1%8A%90-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%96%E1%88%9D-%E1%8A%A5%E1%89%B2-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5867470.html"} {"headline":"ነበርቲ ሃዋሳ ናህሪ ዋጋን ምኽባር መነባብሮን ከምዝተማረሩ ገሊጾም","content":"ብዘይግቡእ ናህሪ ዋጋን ምኽባር መነባብሮን ከምዝተማረሩ ነበርቲ ሃዋሳ ገሊፆም። ጫፍ ዝወፀ ዝበሉዎ ክቡር መነባብሮ ዘስዓቦን ነብሶም ዝፈትዉ ሰብ ሃብቲ ዝፈጥሩዎ ሸፈጥን ናይ መንግስቲ ሰበ ስልጣን ዘይምግዳስ እዩ ክብል ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ገሊፆም። ነቲ ህዝቢ ዘጨንቖ ዘሎ ናህሪ መነባብሮ ናይቲ ክልል መንግስቲ በይኑ ጠጠው ከብሎ ከምዘይኽእል ዝተዛረቡ ናይ ሲዳማ ክልል ፕረዚደንት ኣቶ ደስታ ለዳሞ ግቡእ ዘይኮነ ምንቅስቓስ ንግዲ ዝገብሩ ብሓገዝ ንምቕራብ ምስ ፌደራል መንግስቲ ኣብ ምምኽኻር ከምዝርከቡ ገሊፆም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5867404.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣጋጢሙ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ሎሚ ንጉሆ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣጋጢሙ።እቲ ብሬክተር መዐቀኒ 4 ነጥቢ ዝተመዝገበ ምቅንጥቃጥ ክሳብ ደደርን ሃረርን ከምዝተሰምዖ ነበርቲ ገሊፆም ኣለው። ቅድሚ ስዓት 1:54 ዝወረደ ርዕደ መሬት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዝተኸሰተ ምንቅጥቃጥ ፅንክር ዝበለ ከምዝኾነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ዳይረክተር ጂኦፊሲክስን ህዋ ሳይንስን ኣስትሮኖምን ክኢላ ምንቅጥቃጥ መሬትን ፕሮፌሰር ኣታላይ ኣየለ ገሊፆም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/earthquake-was-reported-in-ethiopia-\/5864833.html"} {"headline":"ጀፈሪ ፌልትማን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ፍሉይ ልኡኽ ዩናይትድ ስቴትስ ኮይኖም ተሸይሞም","content":"ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ንኣምባሳደር ጀፍ ፌልትማን፣ ልኡኽ ዩናይትድ ስቴትስ ንጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ገይሩ ከምዝሾሞ’ አማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ዩናይትድ ስቴትስ ጃክ ሱሊቫን ኣፍሊጡ ኣሎ። ንሱ ዝሃቦ መግለጺ መደባት ኣምባሳደር ፌልትማን ‘ኣብ’ቲ ቅልውልው ኢትዮጵያ ንምፍታሕ ንገብሮ ቀጻሊ ጻዕርታት፣ ሰራዊት ኤርትራ ብህጹጽ ንክወጹ፣ ትግባረ ምቁራጽ ተጻብኦ ብኩሎም ወገናት ንኽግበር ከምኡውን ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይደረት ንክባጻሕ ንሰርሓሉ ዘለና መደባት ዘጠናኽር ክኽውን እዩ’ ኢሉ። ብዘይካዚ፣ ‘መራሕቲ ግብጺ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ልዕሊ ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዘለዎም ምስሕሓብ ንክፈትሑን ዘለዎም ማያዊ ጸጋ ንክማቀሉዎ ነተሓሳሲብ። ዩናይትድ ስቴትስ ምስ መሻርኽትና ሃገራት ሓቢራ ንምስራሕ ከምኡውን ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓባራዊ ሰላምን ምዕባለን ንክረጋገጽ ቅርብቲ እያ’ ይብል። ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/jeffrey-feltman-will-serve-as-us-special-envoy-for-horn-of-africa\/5864826.html"} {"headline":"ደሕንነት ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ዘውድቑ ኣካላት ስጉምቲ ክወስድ እየ ኢሉ ክልል ኣምሓራ","content":"ንህዝቢ ኣምሓራ ንጉድኣት ዘሳጥሑ መልእኽትታትን ጭርሖታትን ኣብ ህዝባዊ ሰልፍታት ክንፀባረቑ ከምዘይብሎም ናይ ኣምሓራ ክልላዊ መንግስቲ ርእሰ ኣማሓዳሪ ኣቶ ኣገኘሁ ተሻገር ኣተሓሳሲቦም።ናይቲ ህዝቢ ደሕንነት ንሓደጋ ኣብ ልዕሊ ዘቃልሑ ኣካላት መንግስቲ ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ እዩ ኢሎም። ንሶም ትማሊ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ናይ ህዝቢ ኣምሓራ ሰላምን ምዕባለን ዘይደልዩ ብዝበሉዎም ኣካልት እቲ ክልል ኣብ ናይ ድሕነትን ስግኣትን ተፅዕኖ ይርከብ ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/the-amhara-chief-adminisrator-warns-using-harmful-slogans-on-public-rallies\/5864818.html"} {"headline":"ቤት ምኽሪ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዘውጸኦ መግለጺ","content":"ኣባላት ቤት ምኽሪ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ሓሙስ 4 ሚያዝያ 2021 ኣብ ዝነበሮም ሓባራዊ ኣኼባ ነዚ ዝቅጽል መግለጺ ኣውጺኦም ኣለው። ብመሰረት'ዚ መግለጺ'ዚ፣ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ንፈለማ ጊዜ ካብ ስቅታ ናብ መግለጺ ምሃብ ከምዝሰገረ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መግለጺ ብከምዚስዕብ ቀሪቡ ኣሎ። ኣባላት ቤት ምኽሪ ባይቶ ጸጥታ፣ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ፣ ኢትዮጵያ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት፣ ምስትውዓል ዘለዎ ሻቅሎቶም ገሊጾም። ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረድኤት ንምልጋስን ተወሳኺ ሰብኣዊ ሓገዛት ንክዋሃብ ዝገበሮ ተበግሶን ኣፍልጦ ይህብ። እንተኾነ፣ ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሰብኣዊ ብድሆታት ኣጓኒፉ ከምዘሎ ኣፍልጦ ሂቡ ኣሎ። ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛት ክውስኽ ከምዘለዎን ናብ ኩሎም ዘድልዮም ሰባት ብመንጽር ኩነተ ውሕስና መግቢ፣ ረድኤት ብዘይምትዕንቓፍ ንክባጻሕን ጸዊዑ። ዓለምለኸ ጻዕሪታት ረድኤት፣ ምስ መትከላት ሕቡራት ሃገራት ተሳንዩ ብመሰረት ሰብኣዊነት፣ ዘይሻራዊነትን ነጻ ብዝኾነ ኣገባብን ምብጻሕ ንክቅጽል እቲ ቤት ምኽሪ ጸዊዑ። ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ፣ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጸገም ጸጥታ፣ ንወፍሪታት ሰብኣዊ ሓገዝ ይዕንቅፍ ከምዘሎ ኣስተብሂሎም፣ ኩነታት ናብ ንቡር ንክምልሱ’ውን ጸዊዖም። ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ፣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ክልል ትግራይ ተፈጺሞም ብዛዕባ ዝባሃሉ መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላትን በደላትን፣ ጾታ መሰረት ዝገበረ መጥቓዕትን ዝሓደሮ ዓሙቕ ሻቅሎት ገሊጹ። ፈጸምቱ ንምንጻር ምርመራ ንክካየድን ናብ ፍርዲ ንክቀርቡ’ውን ጸዊዑ። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ምስ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላትን ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተፈጸሙ መግሃስታትን ግፍዒታትን ሓባራዊ መስርሕ ምጽራይ ንከካይዱ ምውስኖም’ውን ተቀቢሉዎ። ብዘይካ'ዚ፣ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኮምሽን ሰብኣዊን ህዝባዊን መሰላት ኣፍሪቃ፣ ኣብልዕሊ’ዚ ጉዳይ’ዚ ምጽማዱ’ውን ተቀቢሎምዎ ኣለው። ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ፣ ብዓለምለኸ ሕጊ ምቅያድ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ኣስሚሮምሉ ኣለው። ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ፣ ንከም ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ዝኣምሰሉ ዞባዊን ኣህጉራዊያንን ትካላት ዘለዎም ብርቱዕ ደገፍ ገሊጾም፣ ሓቢሮም ከምዝሰርሑ’ውን ኣረጋጊጾም። ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ፣ ንሉኣላዊነት፣ ፖለቲካዊ ነጻነት፣ ግዝኣታዊ ሓድነትን ሕብረትን ኢትዮጵያ ዘለዎም ጽኑዕ ደገፍ’ውን ኣነጺሮም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%88%95%E1%89%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-\/5863468.html"} {"headline":"ክልተ ኣባላት መሪሕነት ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ምእሳሮም እቲ ፓርቲ ኣፍሊጡ","content":"ክልተ ኣባላት መሪሕነት ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ምእሳሮም እቲ ፓርቲ ኣፍሊጡ። ሳልሳይ ወያነ ትግራይ \"ምክትል አቦመንበር ክፍሊ ፖለቲካ ኣቶ አሉላ ሃይሉን ሓላፊ ፋይናንስ’ቲ ፓርቲ ኣቶ ካሕሳይ ሃይሉን፣ ኣብ መቐለ ካብ ሓደ እንዳ ካፌ ብወትሃደራት ተዓፊኖም ከምዝተወሰዱን እቲ ተግባር’ቲ ንተበግሶ ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ዝዓግት እዩ\" ኢሉዎ ኣሎ ። ነዚ ምዕባለ ኣመልኪቱ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ግብረ መልሲ ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይሰለጠን:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%AA%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%B3%E1%88%8D%E1%88%B3%E1%8B%AD-%E1%8B%88%E1%8B%AB%E1%8A%90-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%88%B3%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8A%A5%E1%89%B2-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5863297.html"} {"headline":"ዕጡቓት ንወረዳ ሴዳል ቤንሻንጉል ጉምዝ ምቁጽጻሮም ተሓቢሩ: ሰበ ስልጣን'ቲ ክልል ግን ነዚ ይነጽጉ","content":"ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ መን ከምዝኾኑ ዘይተፈለጡ ዕጡቃት ንወረዳ ሴዳል ከምዝተቆጻጸሩን ንገለ ሰበ ስልጣን’ቲ ክልል ከምዝቀተሉን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ቢሮ ጸጥታን ህንጸትን እቲ ክልል ብወገኑ \"ሴዳልን ከባቢኣን ኣብ ትሕቲ ዕጡቃት ወዲቃ\" ንዝብል ዜና ነጺጉ። ሓላፊ’ቲ ቢሮ ከምዝገለጽዎ \"ፈጻሚ እቲ መጥቓዕቲ፣ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ ህዝቢ ጉሙዝ ዝተባሃለ ጉጅለ ሸፋቱ’ዩ\" ከምዝበለ’ውን ተገሊጹ'ሎ። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ ካማሺ እትርከብ ከባቢ 25 ሽሕ ህዝቢ ዝነብረላ ወረዳ ሙሉእ ብሙሉእ ክበሃል ብዝኽእል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዕጡቃት ሓይልታት ከምትርከብ ኣፍሊጡ። እቶም ዕጡቃት ኣብ ህይወትን ንብረትን ሓደጋ ምውራዶም ኣብቲ መግለፂኡ ጠቂሱ: መንነትን ዕላማን እቶም ጉጅለ ዕጡቃትን እንታይ ከምዝኾነ ፣ኣብ ንብረትን ህይወትን ዘብፅሕዎ መጠን ሓደጋ ስጋብ ሕጂ ብዝርዝር ከምዘይፍለጥን እቲ ኮሚሽን'ውን ከምዘይበፅሖን ፣ ምስ ኣካላት መንግስቲ ኮይኖም ብምትሕግጋዝ የፃርዩ ምህላዎም ወሃቢ ቃልን ላዕለዋይ ኣማኻርን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣቶ ኣሮን መዓሾ ይገልፁ ። \"ካብ ሚያዝያ 11 ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ ዕጡቃት ሓይልታት ምውዓላ ሓበሬታታት ዘረዱኡና ፤ ከምኡ'ውን ብርክት ዝበሉ ነበርቲ እታ ወረዳ ፣ ኣመራርሓን ፖሊስን ካብቲ ኸባቢ ሃዲሞም ምኻዶምን እቶም ዕጡቃት ሓይልታት ናይ መንግስትን ህዝብን ንብረት ምቅፃሎም ፣ኣባላት ኣመራርሓን ሰራሕተኛታት ከምዝቀተሉን ክነረጋግፅ ኪኢልና ኢና። ሓይልታት ፀጥታ እቲ ኸባቢ'ውን ልዕሊ ዓቅሙ ከምዝኾኖን ክበፅሕሎም ፃውዒት ዘቅረቡሎም ኣካላት'ውን ብእዋኑ ዘይምብፀሖም ነበርቲ እቲ ኸባቢ ነጊሮምና:: \" ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ሓላፊ ቤትፅሕፈት ፀጥታን ምርግጋኣትን ኣቶ ኣብዮት ኣልቤሮ ነቲ ወረዳ ሴዳል ኮነ ከተማኣ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዕጡቃት ሓይልታት ኣትየን ዝብል ሓሳብ ኣይቅበሉዎን ። \"ሓደ ኸተማ ሙሉእ ብሙሉእ ተቆፃፂሮማ ክበሃል ዝኽእል መንግስቲ ሰላምን ሕግን ከኽብር ብዘይምኽኣሉ እቲ ኹነታት ካብ ዓቅሙ ንላዕሊ ኮይኑ ካልእ ሓይሊ ፀላኢ ነታ ዓዲ ክወራ ከሎ እዩ ።ኣብዚ እዋን ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ኣብዚ ቦታ ተረኺቡ ምስ ሓይልታት ፀጥታ ኦፖሬሽናት እናሰርሑ ኣብ ዝርከቡሉ እዋን ኢና ንርከብ ። ብርግፅ ፀረ ሰላም ሓይልታት ናብታ ከተማ ኣትዮም'ዶ ንዝብል እወ ንብረት 'ውን ኣዕንዮም እንተኾነ ግን ነታ ኸተማ ይኹን ወረዳ ሙሉእ ብሙሉእ ፀረ ሰላም ሓይልታት ተቆፃፂሮማ ዝብል መግለፂ ልክዕ ኣይኮነን ።\" ብተወሳኺ ብዛዕባ ኣብ ህይወት ሰባት ዝወረደ ሓደጋ ከምዘሎ ኣይከሓዱን ብዛዕባ መቅተልትን ምጭዋይን ኣባላት መንግስቲ ግን ዝበፅሖም ሓበሬታ ከምዘየለ ገሊፆም ኣብቲ ዝነበረ ጎንፂ ካብ ክልቲኡ ወገን ዝበፅሑ ጉድኣታት ከምዘሎን ነዚ ዘፃርዩ ኣካላት ናብቲ ኸባቢ ተላኢኹ ክፅናዕ ሙዃኑ ሓቢሮም ። ብዛዕባ መንነትን ዕላማን እቶም ጉጅለ ዕጡቃት ንዝቀረበሎም ሕቶ ካብ ደገ ጥፍኣትን ውድቀትን ኢትዮጵያ ዝምነዩ ሓይልታት ዘዋፈርዎ ተለኣኣኺ ጉጅለ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B3-%E1%88%B4%E1%8B%B3%E1%88%8D-%E1%89%A4%E1%8A%95%E1%88%BB%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%8D-%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%8B%9D-%E1%88%9D%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%8C%BB%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9-%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8C%8D%E1%8A%95-%E1%8A%90%E1%8B%9A-%E1%8B%AD%E1%8A%90%E1%8C%BD%E1%8C%89\/5863276.html"} {"headline":"ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ኣምሓራ ዘጋጥም ዘሎ ቅትለትን መጥቓዕቲታትን ዝኹንን ሰልፊ ኣብ ከተማ ጎንደር ተኻይዱ","content":"ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ኣምሓሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘጋጥም ዘሎ ቅትለትን መጥቃዕትን ዝኹንን ሰልፊ ሎሚ ኣብ ከተማ ጎንደር ተካይዱ። ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ዝተሳተፍሉ ሰልፊ፣ \"ብደም ተወላዶ ኣምሓሩ ትሽቅጥ ሃገር ኣይተድልየናን፣ ቅትለትን ምፍንቃልን ኣምሓሩ ይኣክል\" ዝብሉ ጭርሖታት ተቃሊሖም፣ አብ ባህርዳር ዝዋዓለ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ናብ ምርጻም ዘዛዘወ ከምዝነበረ’ውን ካብቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሪፖርት ገሊጹ። ወሃቢ ቃል ክልል ኣምሓራ ኣቶ ግዛቸው ሙሉነህ ቅድሚ መዓልታት ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ \"ንተወላዶ ኣምሓሩ ንምድኻም ዝተበገሱ ሓይልታት፣ ናብ’ቶም ተቃወምቲ ተመሳሲሎም ብምእታው፣ ህውከት ንክላዓል ክሰርሑ ስለዝኽእሉ ምጥንቃቅ ይግባእ’ዩ\" ምባሎም ይዝከር። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ፓርቲ ብልጽግና ክልል ኣምሓራ ኣብ ክልላት ኦሮምያ፣ ቤንሻንጉልን ኣምሓራን፣ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ኣምሓሩ ዝወረደ ቅትለትን ምፍንቃልን፣ ንሓድነት ሃገር ንምንዋጽ ብዝደልዩ ሓይልታት ዝተዋደደ እዩ ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ ። እቲ ፓርቲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ኣምሓሩ ንዝወርድ ዘሎ ቅትለትን ምፍንቃልን ዝቃወሙ ሰልፊታት ከምዘኽብር’ውን ጠቂሱ። እንተኾነ፣ ነቶም ሰልፊታት ካብ ዕላማኦም ስሒቶም ንፖለቲካዊ ረብሓ መተግበሪ ንምግባር ከምዝተፈተነ’ውን እቲ መግለጺ ሓቢሩ'ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B6-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A5%E1%88%9D-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%89%85%E1%89%B5%E1%88%88%E1%89%B5%E1%8A%95%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%8A%B9%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/5863264.html"} {"headline":"'ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝወረደ ግፍዒ መሊእኻ ንምፍላጥ ኣዋርሕ ክወስድ እዩ' ፕራሚላ ፓተን","content":"(እዚ ሪፓርት ንምስማዕ ዝኸብድ ኣገላልፃታት ስለዝሓዘ ኣቐዲምና ንሰማዕትና ነጠንቕ) \"ተወሰኽቲ ሪፖርትታት ጾታዊ መግሃስታት ይመፁ ስለዘለው፣ ኣብ ትግራይ፣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ዝወረደ ግፍዒ፣ መሊእና ንምፍላጥ ገና ኣዋርሕ ክወስድ ከምዝኽእል\" ላዕለወይቲ በዓልቲ ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ገሊጸን። ትካል ደቂ ኣንስትዮ፣ ሰላምን ጸጥታን ጂኦርጅ ታውን ዩኒቨርስቲ ትማሊ ረቡዕ ኣብዘዳለዎ ናይ ቪድዮ ኮንፈረንስ፣ ዝተፈላለያ ደቂ ኣንስትዮ ቃለምስክርነት ሂበን ኣለዋ። ኣብ እዋን ግጭት ዝፍፀም ፆታዊ መጥቓዕቲ ናይ ዝከታተል ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣካል ፍልይቲ ወኪል ፕራሚላ ፓተን ካብ ናይ ግጭት ከባቢታት ተወሳኺ መጥቓዕታት ፆታዊ ዓመፅ ምፍፃሞም ሪፖርትታት ይወፁ ስለዘለው ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ይፍፀም ዘሎ ሰፊሕ ግፍዕን መጠኑን ንምፍላጥ ብዙሕ ወርሒ ከድልዮ እዩ ኢለን። ናይ ጆርጅ ታውን ዩኒቨርስቲ ኢንስቲትዩት ደቂ ኣንስትዮ፣ሰላምን ፀጥታን ብዛዕባ ትግራይ ንምዝታይ ትማሊረቡዕ ኣብዘዳለዎ መድረኽ ከምዝገለፅኦ ‘'ቃል ምስክርነት ግዳያት ፆታዊ ዓመፅ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣካል ሰብነት ኣዋልድን ኣረመናዊን ኣሰካፊን በደል ይፍፀም ከምዘሎ ዘረጋግፅ እዩ’’ ኢለን። ሕቡራት መንግስታት መብዛሕቲኦም ሪፖርትታት ፆታዊ ዓመፅ ናይ ወታደራት ኽዳን ብዝተኸደኑ ሰቡኡት ከምዝፍፀም ገሊፁ ኣሎ።ሪፖርት ዝተገበሩ ናይ ኣስገዳድ ፆታዊ መጥቓዕቲ ሓይልታት ምክልካል ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ኤርትራ፣ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ዘይስሩዓት ዕጡቓት ጉጅለታትን ተሓባበርቶም ምልሺያን ዝተሳተፉሉ እዩ። ብናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላትን ብመንግስቲ ዝምወል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብሓባር ክካየድ ስምምዕ ዝተገብረሉ ምርመራ ብቕልጡፍ ክጅምር ኣተሓሳሲበን። ‘’ብእዋኑ ክስራሕ ኣዚዩ ወሳኒ እዩ።ኣሰር መርትዖ ቅድሚ ምስኻኑ እዋኑ ሕዚ እዩ’’ ኢለን ፓተን።እቲ ኣሰራርሓ ተዛዚሙ ናይ ሓባር ጉጅለ ብዘይ ተወሳኺ ወዓል ሕደር ክዋፈርን ኣብ መላእ ትግራይብምሉእን ብዘይተገደበን ኣገባብ ክሰርሕን ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ኢለን ብምሳኽ። ቤት ፅሕፈተን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ብዛዕባ ዝፍፀም ኣሰቃቒ መጥቓዕቲ ካብ ‘’ብዙሓትን ተኣማንቲ ምንጭታትን’’ ከምዝበፅሖ ተዛሪበን ኣለዋ።’’ ፆታዊ መጥቓዕቲ ብዙሕ ግዜ ሪፖርት ስለዘይኸውን እቲ ዝቐርብ ዘሎ ሪፖርት ጫፉ ጥራሕ ናይ ዝርኣይ ዓብይ ፀገም እዩ’’ ክብላ ገሊፀንኦ። ፆታዊ ዓመፅ ብሰፊሑ ምፍፃሙ ካሊእ መርእያ ሰራሕተኛታት ጥዕና ህፁፅ ናይ ወሊድ መቆፃፀሪ ክኒና፣ምንፃል ጥንሲ፣ናይ HIV መከላኸሊ መድሓኒትን ናይ ኣእምሮ ጭንቀት ምኽሪ ዘቕርቡዎ ሕቶታት ብምውሳኹ እዩ ኢለን ፓተን። ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ግዳያት ፆታዊ መጥቓዕቲ ዝሕብሐባሉ ማእኸል Safe House ትሰርሕ ዝነበረትን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣካል ምንቅስቓስ ተጋሩ ዳያስፖራ ዝኾነትን ፋናየ ሰለሞን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ይፍፀም ዘሎ ግፍዒ ብዝምልከት ተዛሪባ። ‘’እዘን ደቂ ኣንስትዮ ንዕአን ክከላኸሉ ዝፈተኑ ኣወዳት ደቀን፣ሰብኡተን፣ኣሕዋተንን ኣቦታተንንክቕተሉ ከለው ዝርኣያን ኣብ ቅድሚ ሬሳታተን በኣስገዳድ ፆታዊ ዓመፅ ዝተፈፀመን እየን’'ኢላ። ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ወታደራት ንማዕልታት ምስ ደፈሩዋ ብሓፂን ከምዘጥቕዑዋ ተዛሪባ።ፋናየ ብምውሳኽ እቶም ወታደራት ማህፀና ዓብዮም ዝዋግኡ ቆልዑ ከይወልድንምርግጋፅ ምዃኑ ነታ ሰበይቲ ከምዝተዛረቡዋ ሓቢራ።ናይ ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ምስክርነት እውን ኣቕሪባ ፋናየ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/un-official-may-bemany-months-before-full-scale-of-tigray-rapes-known\/5863108.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ አባላት መንግስቲ ኣብ ስደት ምምስራት ዝዓለመ ግብረ ሓይሊ ኤርትራዊያንን ርእይቶ ነዚ ሓሳብ ዝቓወምን","content":"\"መንግስቲ ኣብ ወጻኢ ክንተክል ኢልካ ምሕሳብ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ድፍረት 'ዩ\" ኢሉ ንመንግስቲ ዝድግፍ መንግስቲ ኣብ ስደት ምትካል ዝብል ሓሳብ ዝቃወምን ኣቶ ገዛኢ ኣርኣያ ካብ ካናዳ። ኣቶ ገዛኢ ነዚ ርእይቶ ዝሃበ፥ ንክልተ ኣባላት'ቲ መንግስቲ ኣብ ወጻኢ ንምምስራት ሓሳብ ዘቕርብ ዘሎ ብሸውዓተ ሰባት ዝቖመ ግብሪ ሓይሊ ርእይትኡ ኣብ ዝሓተትሉ እዋን'ዩ። ምስ'ቶም ኣባላት ግብሪ ሓይሊ ዝተኻየደ ቃለ ምልልስን ፡ ርእይቶ ደጋፊ መንግስቲ ዝኾኑ ኣቶ ገዛኢ ኣርኣያ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%98-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%90%E1%8B%9A-%E1%88%93%E1%88%B3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%93%E1%8B%88%E1%88%9D%E1%8A%95\/5862078.html"} {"headline":"መግለጺ ሚ\/ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ መስርሕ ልዝብ ግድብ ህዳሴ","content":"ኢትዮጵያ ኣብ መስርሕ ልዝብ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ክልቲአን ታሕተዎት ናይቲ ተፋሰስ ሃገራት ተፅዕኖ ክገብር ዘተሓሳስብ ደብዳበ ምልኣኻ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ሱዳን ንወታሃደራት ኢትዮጵያ ሒዘ ነይረ ዝበሎ እውን ኣግባብነት ዘይብሉ እዩ ክብሉ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣቶ ዲና ሙፍቲ ኣሉታዊ መልሲ ሂቦምሉ ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%9A-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%88%8D%E1%8B%9D%E1%89%A5-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4\/5862062.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ዕጡቓት ንሰላማዊያን ሰባት ምቕታሎም ናይዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም","content":"ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ ካማሻ ወረዳ ሴዳል ዕጡቓት ንስቪላት ቀቲሎም ንብረት ምዕናዎም መሰኻኽር ዓይኒ ኢና ዝበሉ ንንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም። ነቲ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ዘረጋገፁ ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ህንፀት ሰላምን እቲ ክልል ኣቶ ኣብዮት ኣልቦሮ \"ዕላምኦም ንህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ንምዕንቃፍን ናይቲ ክልል ሰላም ንምዝራግን እዩ\" ኢሎም ኣለው። ዕጡቓት ትማሊ ንሰላማዊያን ሰባት ቀቲሎም ዝበሉ ናይ ዓይኒ ምስክር ኣቶ ማቲ ሙላቱ እቶም ዕጡቓት \"ንቀያሕቲ\" ሰባት ጥራሕ እናፈለዩ ካብ ምጥቓዕ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ንብረት መንግስትን ውልቀሰባትን ጉድኣት ኣውሪዶም ኣለው ኢሎም። ንሶም ንገዛእ ርእሶም ሓዊሱ ሰባት ንብረቶም ራሕሪሖም ምህዳሞም ገሊፆም። ኣቶ ኣብዮት ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈፀሙዎ ዕጡቓት ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ጉሙዝ እዮም እውን ክብሉ ከሲሶም ኣለው። ዝወረደ መጠን ጉድኣት ዛጊት እንተዘይተፈለጠ እውን ካብ ስቪላትን ዕጡቓት መንግስትን ዝተቐትሉ ከምዘለው ገሊፆም። እቶም ሓላፊ ቢሮ ህንፀት ሰላምን እቲ ክልል እቲ መጥቓዕቲ መንነት መሰረት ዝገበረ ኣይኮነን ኢሎም ኣለው ።ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት ስጉምቲ ይውሰድ ከምዘሎ እውን ወሲኾም ሓቢሮም። ርእይቶ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ጉምዝ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%A4%E1%8A%95%E1%88%BB%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%8D-%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%B3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%93%E1%8B%AD%E1%8B%93%E1%8B%AD%E1%8A%92-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%8A%BB%E1%8A%BD%E1%88%AD-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/5862053.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተኻየዱ ሰልፊታት ሎሚ'ውን ትካላት ንግዲ ብምዕጻው ቀጺሎም ምውዓሎም ተሓቢሩ","content":"ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ብሄረ ኣምሓራ በብከባቢኡ ይፍፀም ኣሎ ዝበሉዎ ቅትለትን መጥቓዕታትን ዝኹንኑን ፍትሒ ዝሓቱን ሰልፍታት ሎሚ ረቡዕ'ውን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ከምዝቐፀለ ተፈሊጡ። ኣብ ከተማ ባህርዳር ካልኣይ መዓልቱ ዝሓዘ ኣብዚ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ትካላት ንግዲ ዕፅዋት ክኾኑ ከለው ምንቅስቓሳት ናይ ምድራት ኣድማ እውን ተኻይዱ ኣሎ። ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ትማሊ ብዝሃቦ መግለፂ ኣድማ ምዕፃው ትካላት ንግዲ ዘዋፅእ ናይ ተቓውሞ ስልቲ ኣይኮነን ምባሉ ይዝከር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B1-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%8B%B2-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%8C%BB%E1%8B%8D-%E1%89%80%E1%8C%BA%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%8B%93%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5862042.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ አባላት መንግስቲ ኣብ ስደት ንምትካል ዝዓለመ ሃገራዊ ሓይሊ ዕማም ኤርትራውያን","content":"መንግስቲ ኣብ ስደት ንምትካል ዝዓለመ ሃገራዊ ሓይሊ ዕማም ኤርትራውያን፥ ዝሓለፈ ቀዳም ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቡ ኔሩ። እቲ ብሸውዓተ ኤርትራውያን ዝቖመ ሓይሊ ዕማም \"ቀንዲ ተልእኮኡ ኣብ ጽንሰ-ሓሳብ ኣቐሚጥዎ ዘሎ መስርሕ ምምስራት መንግስቲ ኣብ ወጻኢ፥ ባዕለ ተበግሶ ብምውሳድ ኣብ መፈጸምትኡ ንምብጻሕ'ዩ\" ይብሉ ኣባላታ። ንኣቶ ሳሊሕ ዮኑስ ካብዚ ካብ ኣመሪካ: ኣቶ ሳሙኤል ኣምሃ ድማ ካብ ካናዳ ኣዘራሪብናዮም ኣለና ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%98-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%8B%95%E1%88%9B%E1%88%9D-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95\/5860647.html"} {"headline":"ማረት: ዩኤስኤኣይዲ ብዝመደቦ ባጀት 59 ሽሕ ሜትሪክ ቶን እኽሊ ኣብ ትግራይ ከምዘከፋፈለ ገሊጹ","content":"ዩስኤኣይዲ (ትካል ስግር ባሕሪ ግብረ ሰናይ ኣሜሪካ)፣ ብዝመደበቶ ባጀት ሓደ ቢልዮን ቅርሺ፣ 59 ሽሕ ሜትሪክ ቶን እኽሊ፣ ኣብ ትግራይ ከምዘከፋፈለ ማሕበረ ረድኤት ትግራይ (ማረት) ኣፍሊጡ። ማረት ከምዝገለጾ ‘ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን፣ ህዝቢ’ቲ ክልል ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ስለዝርከብ፣ ዩስኤኣይዲ (ትካል ስግር ባሕሪ ግብረ ሰናይ ኣሜሪካ) ብዝገበሮ ሓገዝ፣ ን2.8 ሚልዮን ሰባት፣ በብወርሑ ንዝቅጽሉ 6 ኣዋርሕ ሓገዝ መግቢ ክዋሃብ እዩ ኢሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9B%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8B%A9%E1%8A%A4%E1%88%B5-%E1%8A%A4%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%8B%B0%E1%89%A6-%E1%89%A3%E1%8C%80%E1%89%B5-59-%E1%88%BD%E1%88%95-%E1%88%9C%E1%89%B5%E1%88%AA%E1%8A%AD-%E1%89%B6%E1%8A%95-%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%88%8A-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8A%A8%E1%8D%8B%E1%8D%88%E1%88%88-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5860555.html"} {"headline":"ወለንታዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ዞባ ዓንሰባ ኣብ ምሕያል ተራ ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ንምዕባይ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ","content":"ውዳበ ደቂ-ኣንስትዮ ሰራሕታኛታት ዞባ ዓንሰባ ፡ጸገማትን ብድሆታትን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ስራሕ ቦታ ብምልላይ ነባሪ ፍታሕ ንምምጻእን ኣብ መሪሕነት ዝህልወን ተሳትፎ ንምዕባይን ይሰርሕ ከምዘሎ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረበን ኣባላት ናይ’ቲ ማህበር ገሊጸን ። እዚ ኣብ 2019 ዓ.ም ብወለንታውያን ሰራሕተኛታት መንእሰያት ዞባ ዓንሰባ ዝተመስረት ማሕበር:ኣብ ደቂ-ኣንስትዮ ዘተኮረ ዝተፈላለየ ጎስጓስን ኣስተምህሮን ከምኡ’ውን መጽናዕትን ከምዘካየደን ድ'ውን ተጨባጢ ስራሕ ከምዝሰርሐን ኣባላት ናይቲ ውዳብ ዝኾና መንእሰያት ቤተኤል ሰሎሞንን መምህር ልዋም ይርጋኣለምን ገሊጸን ኣለዋ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8A%95%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8B%B0%E1%89%82-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AE-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%8B%93%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%AB%E1%88%8D-%E1%89%B0%E1%88%AB-%E1%8B%B0%E1%89%82-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AE-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%89%A3%E1%8B%AD-%E1%8B%AD%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5859040.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ምስ ኣብ አዲስ አበባ ዝርከቡ ተወለደቲ ክልል ትግራይ ምዝታዩ ኣፍሊጡ","content":"ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝርከቡ ተወላዶ ትግራይ ምምይያጡ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ምስ ወነንቲ ትካላትን ምሁራንን ተወለድቲ ክልል ትግራይ ዝግበሮ ርክብ፡ ንክልል ትግራይ መሊስካ ምህናጽ፡ ናይ ብርክት ዝበሉ ኣካላት ተሳትፎ የድሊ`ሎ ምባሉ ኣብ ናይ ባዕሉ ፈይስቡክ ኣብ ዘውጽኦ ዜና ሓቢሩ`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8B%B0%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B3%E1%8B%A9-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5858963.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ገዛኢ ፓርቲ ብልጽግና ኣብ ጎደናታት ከተማ ሃዋሳ ጎስጓስ ምርጫ ጀሚሩ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ገዛኢ ፓርቲ ብልጽግና ኣብ ጎደናታት ከተማ ሃዋሳ ጎስጓስ ምርጫ ጀሚሩ። ኣብቲ ጎስጓስ መደረ ዘስምዐ ምኽትል ከንቲባ ሃዋሳ \"ፓርቲ ብልጽግና ንኹሉ ዘማእከለ ሓሳብ ብምስጓም ንኢትዮጵያ ናብቲ ዝቕጽል ብልጽግና ንምስጋር ዝሰርሕ ፓርቲ`ዩ\" ኢሉ። ብዛዕባ`ቲ ጎስጓስ ብዝምልከት ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ሃዋሳ፡ ንሻዱሻይ ሃገራዊ ምርጫ ዝግበሩ ዘለዉ ጎስጓሳት፡ ፓርትታት ፕሮግራሞምን ፖሊሲታቶምን ንህዝቢ ዘረድኡ ዘይኮኑስ ኣብ ወቐሳን ነቔፈታን ዝተመርኮሱ`ዮም ኢሎም። ምኽትል ከንቲባ ጸጋዬ ቱኬ ኣብቲ እዋን ጎስጓስ፡ ሃገር እትልወጥ ዜጋታት ሓላፍነቶም ክፍጽሙ ከለዉ`ዩ ብምባል፡ ህዝቢ ሓድነቱ ክሕሉን ኣብቲ ምርጫ ክሳተፍን ጸዊዑ። ብመሰረት ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዘውጽኦ ናይ ግዜ ሰሌዳ፡ ፓርትታት ናይ ምረጹና ጎስጓስ ክገብሩ ዝኽእል ብኣ. ግእዝ፡ ክሳብ 24 ግንቦት 2013 ጥራሕ`ዮም። ብኻልእ ዜና ምርጫ፡ ኣብ ምምሕዳር ድሬዳዋ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ፓርትታት ፖለቲካ ቆይሙ። እቲ ቤት ምኽሪ፡ ካብ ጎስጓስ ምርጫ ክሳብ ድሕሪ ምርጫ እቲ መስርሕ ሰላማዊ ኮይኑ መታን ክዛዘም ተወዳደርቲ ብሓባር ኮይኖም ዝመኽርሉ`ዩ። ቅድሚ ምቛም`ቲ ቤት ምኽሪ`ውን ቦርድ ምርጫ ጨንፈር ድሬዳዋ ምስ`ቶም ፓርቲታት ብምትሕብባር ክሰርሕ ከምዝጸንሐ ሓላፊ`ቲ ጨንፈር ኣቶ ዚያድ ያሲን ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8C%88%E1%8B%9B%E1%8A%A2-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%8C%BD%E1%8C%8D%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%8E%E1%8B%B0%E1%8A%93%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%88%B3-%E1%8C%8E%E1%88%B5%E1%8C%93%E1%88%B5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9\/5858956.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ቀረባ ብዝተፈጥረ ግጭት ልዕሊ ርብዒ ሚሊዮን ሰባት ምምዝባሎም ተፈሊጡ","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ ኣብ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ከተማታት ብሰንኪ ዝተፈፀሙ መጥቓዕታት ልዕሊ ርብዒ ሚሊዮን ሰባት ምዝንባሎም ቤት ፅሕፈት ምክልኻል ሓደጋን ውሕስነት መግብን እቲ ዞባ ኣፍሊጡ። እቲ መጥቓዕቲ ብከቢድ ኣፅዋር ዝተሓገዘ ከምዝነበሩ ዝሃደሙ ነበርትን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ገሊፆም ኣለው።ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ነቲ መጥቓዕቲ ፈፃሚኡ ኦነግ ሸኔ ኢሎም ዝፅውዕዎን \"ናይ ኦሮሞ ነፃነት ሰራዊት ኢና’’ ዝብል ጉጅለ ተሓታቲ እዩ እንተበሉ እዋን ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ ግን ‘\"እቲ ጉጅለ’’ ኣይወዓሎን ኢሉ ኣሎ። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ምክልካል ሓደጋን ውሕስነት ምግብን ዞባ ሰሜን ሸዋ ወርቃለማሁ ኮስትሬ ካብ 6 ሚያዚያ 2013 ዓ\\ም ጀሚሩ ብዝተልዓለ ፀገም ልዕሊ 250,000 ህዝቢ ተመዛቢሉ ኣሎ ኢሎም። ‘’ብርክት ዝበለ ጉድኣት ወሪዱ።ንብረት ዓኒዩ፣ህወይት ሰብ ጠፊኡ’’ ኢሎም ኣቶ ወርቃለማሁ። ዝወረደ ዕንወት ኣዚዩ ዝለዓለ እዩ ዝበሉ ንሶም ተመዛቢሎም በቢከባቢኡ ዝተዓቖቡ ወገናት ናይ ምግብን መፅለሊን ሓገዝ ይግበር ኣሎ ኢሎም።ህዝቢ ዝተፈላለየ ሓገዝ ይገብረሎም ከምዘሎ እውን ገሊፆም። ነባሪት ከተማ ሸዋ ሮቢ ዝኾና ወይዘሮ ገላ ተምትሜ ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ቤት ንብረተን ራሕሪሐን ዋላ ሓደ ነገር ዝብላዕ ዝስተ ከይሓዛ ምስ ሓሙሽተ ኣባላት ስድርአን ደብረብርሃን ከምዝኣተዋ ይገልፃ። ዋላ ሓደ ነገር ከይሓዛ ከምዝወፃ ዝገለፃንሰን ምስ ስድርአን ተበታቲነን ከምዝርከባን መንግስቲ እንተድኣሃሊዩ ቶሎ ክበፅሓልና ኣለዎ ኢለን። መንግስቲ ንቶም ተመዛበልቲ ናብ መንበሪኦም ንምምላስ ዘቐመጦ ኣንፈት ምልሻታትና ደቅና ሃሊቆም ከመይ ገይርና ኢና ንነብር ኢለን ወይዘሮ ገላ። ካልኦት ተመዛበልቲ እውን ዝወረደ ዕንወትን ካብ ሓደ ስድራ ክልተ ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐትሉን ገሊፆም ኣለው። እቲ መጥቓዕቲ ብከቢድ ኣፅዋር ዝተሓገዘ ከምዝነበሩ ዝሃደሙ ነበርትን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ገሊፆም ኣለው።ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ነቲ መጥቓዕቲ ፈፃሚኡ ኦነግ ሸኔ ኢሎም ዝፅውዕዎን ‘’ናይ ኦሮሞ ነፃነት ሰራዊት ኢና’’ ዝብል ጉጅለ ተሓታቲ እዩ እንተበሉ እዋን ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ ግን ‘’እቲ ጉጅለ’’ ኣይወዓሎን ኢሉ ኣሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ልዕሊ ብሄረ ኣምሓራ ይፍፀም ኣሎ ዝበሉዎ ቕትለትን ምምዝባልን ዝኹንኑ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ነበርቲ ደሴ ሎማዕንቲ ሶኑይ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምክያዶም ተፈሊጡ። ምንስትሪ ሓይልታት ምክልኻል ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባታት ሰሜን ሸዋ፣ብሄረሰብ ኦሮሞን ደቡብ ወሎን ኮማንድ ፖስት ምጥያሹ ኣፍሊጡ ኣሎ።ሰላምን ፅጥታን ኣብ ልዕሊ ዝህውኹ ጉጅለታት ስጉምቲ ብምውሳድ ልዕልነት ሕጊ ከረጋግፅ እዩ ኢሉ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/more-than-250-thousand-people-displaced-in-amhara-region\/5858949.html"} {"headline":"ኢትዮጵያዊያን ምሁራት ኣብ ግድብ ህዳሴ ዘሎ ግጉይ ሓበሬታ መሓውራት ዜና ክዕረይ ጸዊዖም","content":"ኢትዮጵያ ብዛዕባ ትሃንጾ ዘላ ዓቢይ ዲጋ ህዳሴ ሓደሓደ ኣህጉራዊ መራኽቢ ብዙሃን ዝህብዎ ዘለዉ ጸብጻብ ነተን ኣብቲ ተፋሰስ ንዘለዋ ሃገራት ተረባሕነት ዘተባብዕ ኣይኮነን ተባሂሉ። ኣብቲ ዓውዲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ምሁራን ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ፡ እቶም ጸብጻባት ሚድያ፡ ንኢትዮጵያ ብልኡላውነት ንግብጺ ድማ ብናይ ህልውና ሕቶ ጌሮም ምቕራቦም-ፍትሓዊ ኣይኮነን ኣብ ናይ ሓባር ተጠቃምነት`ውን ኣሉታዊ ተጽዕኖ ዘሕድር`ዩ ኢሎም። ንግብጺ ናይ ህልውና ሕቶ ንኢትዮጵያ ድማ ናይ ሉኡላውነት ጉዳይ ጌርካ ብመሓውራት ዜና ግጉይ ዝኾነ ሓበሬታ ምቕራብ ኣብቶም ሸምገልቲ ግጉይ መረዳእታ ክህሉ ዕድል ፈጢሩ`ዩ ዝብሉ እዞም ምሁራት፡ እቲ ጸብጻባት ነተን 11 ኣብ ተፋሰስ ኒል ዘለዋ ሃገራት`ውን ናይ ሓባር ጥቕሚ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%81%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8C%8D%E1%8C%89%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%89%A0%E1%88%AC%E1%89%B3-%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%8D%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8B%9C%E1%8A%93-%E1%8A%AD%E1%8B%95%E1%88%A8%E1%8B%AD-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%96%E1%88%9D-\/5858933.html"} {"headline":"ዩኤስኤድ -ዳርት ኣብ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ሰብኣዊ ንጥፈት","content":"መንግስቲ ኣሜሪካ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ናብ ትግራይ ዘውፈሮ እዚ ጉጅለ’ዚ 17 ኣዝዮም ምኩራት ሰብ ሞያ ዝሓቆፈ ኮይኑ፣ ህጹጽ ሓገዝን ረድኤትን ንዘድልዮም ሰባት ዳህሳስ ብምክያድ ምልላይ፣ ዘድልዮም ሰብኣዊ ሓገዝ እንታይ ከምዝኾነ ምንጻርን ምስ ካልኦት ገበርቲ ሰናይ ትካላት ተሓባቢሩ እቶም ኣብ ሓደጋ ዝኣተው ሰባት ምድሓን ዝብል ገዚፍ ዕላማ ሒዙ ዝንቀሳቀስ ጉጅለ እዩ። እዚ ጉጅለ’ዚ ኣብ ሰብኣዊን ተፈጥሮኣዊን ጥፍኣት ዝወረዶ ኣትዩ ንሰብኣዊ ቅልውላው ዳህሳስን መጽናዕቲን ብምክያድ ትካላት ረድኤት ኣገዳሲ ንዝኾኑ ቀረባት ንክሕግዝንን ንክቀርብን ንክከፋፈልን ትሕግዝ። ኤምሊ ዳይኪን፣ መራሒት ናይ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝወፈረን ግብረ መልሲ ንሰብኣዊ ቅልውላውን ዝህብ ዘሎ ጉጅለ ዩኤስኤድ -ዳርት እያ። \"ብመዳይ ሰብኣዊ ጠለብ ኣብ ብርክት ዝበሉ ዘፈራት ንአብነት ውሕስና መግቢ፣ ዝተማለአ ምግብና፣ ጥዕና፣ ጽርየት ማይ፣ መጸራረይን ካልኦት ዘፈራትን ኣዚና ተገሪምና ኢና። ብመሰረት’ዚ፣ ምስ መዳርግቲናን ምስ’ቲ ህዝቢን ኮይና፣ በታ ዘለትና ገንዘባዊ ዓቅሚ ክሳዕ ክንደይ ክንገብር ከምንኽእል ኣበርቲዕና ሰሪሕና ኢና\" ትብል። መንግስቲ ኣሜሪካ ዛጊድ 305 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ግብረ ሰናይ ወፍዩ ኣሎ። እዚ ሓገዝ’ዚ ነቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ውሽጣዊ ተመዛበልቲ መጽለሊ ንክረኽቡ ከምኡውን ነቶም ካብ ውግእ ዝሃደሙ ንምድጋፍ ዘድሊ ናይ መግቢ፣ ማይን ሕክምናዊ ደገፍን ንምቅራብ ዘኽእል እዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%A9%E1%8A%A4%E1%88%B5%E1%8A%A4%E1%8B%B5--%E1%8B%B3%E1%88%AD%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%8A%95%E1%8C%A5%E1%8D%88%E1%89%B5-\/5855965.html"} {"headline":"'ኣብ ትግራይ ጥምየትን ፆታዊ ዓመፅን ብኢሱዎ፤ ወታሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ምውፅኦም ዘርኢ ምልክት የለን' ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ሕ\\ሃ","content":"ናይ ሕቡራት መንግስታት ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ኣብ ዝሓለፉሓሙሽተ ኣዋርሕ ዘሎ ዝኸፍአ ኩነታት ናብ ዝገደደ ይኸይድ ከምዘሎ ኣጠንቂቖም።ጥምየትን ፆታዊ ዓመፅን እናገደደ ይኸይድ ከምዘሎን ወታሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ምውፅኦም ዘርኢ ዝኾነ ይኹን ምልክት ከምዘየለን ገሊፆም። ናይ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ማርክ ሎውኮክ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዕፁው ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ከምዝተዛረቡዎን ቅዳሕ ሪኢቱኦም ቪኦኤ ዝረኣዮን ቤት ፅሕፈቶም ሰባት ብጥምየት ይሞቱ ከምዘለው ዝገልፁ ፀብፃባት ይበፅሖ ከምዘሎ ሓቢሮም። ‘’ኣርባዕተ ናይ ውሽጢ ተመዛበልቲ ብጥምየት ምማቶም ኣብዚ ሰሙን ፈላማይ ፀብፃብ በፂሑና ኣሎ። ሎሚ ንጉሆ ድማ ካብ መቐለ ብንፈት ደቡብ ኣብ ወረዳ ኦፍላ 150 ሰባት ብጥምየት ምሟቶምፀብፃብ ተቐቢለ ኣለኹ’'ክብሉ ንኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ተዛሪቦም።’’እዚ ንኹላትና ከተሓሳስበናይግባእ።ተወሳኺ ስጉምቲ እንተድኣ ዘይተወሲዱ ንቕድሚት እንታይ ከምዝፅበየና መርኣያ ምልክትእዩ።ጥምየት ከም መሳርሒ ኵናት ምጥቃም መግሃስቲ እዩ’’ክብሉ ተዛሪቦም። ሎውኮክ ክሳብ መወዳእታ መጋቢት ናይ ኢትዮጵያ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራውን ጉዳያት ኣብ ትግራይ ልዕሊ 1.7ሚሊዮን ሰባት ካብ መንበሪኦም ምምዝባሎም ገሊፁ እዩ ኢሎም። ‘’ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣማእቲ ኣሽሓት ካብ ምዕራብትግራይ ከምዝሃደሙን ሕዚ እውን ይሃድሙከምዘለውን ብዙሓት መንበሪ ከባቢታት ከምዘለዋ ምሉእ ብምሉእ ተገዲፈን እየን’’ ኢሎምብምውሳኽ። ዝበዝሕ ክፋል ትግራይ ፈፂሙ ወይ ብኽፋል ብሰራሕተኛታት ረድኤት ክብፃሕ ስለዘይክኣል ሰራሕተኛታት ረድኤት ንፅጉማትን ንሓደጋ ዝተቓልዑን ንምብፃሕ እናተፀገሙ እዮም ኢሎም ሎውኮክ። እቲ ግጭት ከቢድ ወራር ኣንበጣ ስዒቡ ኣብ እዋን ምሕፋስ ምህርቲ እዩ ጀሚሩ። ፀገም ውሕስነት ምግቢ እናዓበየ እዩ። ሓረስቶት ንክዘርኡ እቲ ውግእ ጠጠው እንተድኣ ዘይበለ ዝቕፅል ቀረብ ምግቢ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ እዩ። ካብ ኣስታት ሽዱሽተ ሚሊዮን ጠቕላላ ህዝቢ ትግራይ እንተወሓደ 4.5 ሚሊዮን ህዝቢ ሰብኣዊረድኤት ከምዘድልዮ ሕቡራት መንግስታት ይግምት። መንግስቲ ኢትዮጵያ 91 ሚእታዊ ህዝቢ እዩክብል ነቲ ኣሃዝ ሓፍ የብሎ። ዕንቅፋትን ሓደጋን እንተሃለወ እውን ትካላት ረድኤት ንልዕሊ ሓደ ነጥቢ ሸውዓተ ሚሊዮን ሰባትገለ ህፁፅ ረድኤት ኣቕሪቦም ኣለው። ዝቕፅል ሰሙን ሕቡራት መንግስታት ኣብዚ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ን16 ሚሊዮን ህዝቢ ንምሕጋዝ 1.5 ቢሊዮን ዶላር ሓገዝ ክሓትት እዩ። 26 መጋቢት 2021 ኣ\\ፈ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ኤርትራ ካብ ትግራይ ወታደራታ ክትስሕብ ተሰማሚዓ ክብሉ እንተገለፁ እውን ሎውኮክ ግን እቲ ቃል ኣብ ግብሪ ይውዕል ከምዘሎ ዘረጋግፅ መርትዖ የለን ክብሉ ንኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ገሊፆምሎም። ‘’ዘይምዕዳል ኮይኑ ሕቡራት መንግስታት ይኹን ምስና ሓቢሮም ዝሰርሑ ትካላይ ሰብኣዊ ረድኤት ኤርትራዊያንምውፅኦም ዘረጋግፅ መርትዖ ኣይርኣዩ ክብለኩም እደሊ’’ኢሎም።ንሶም ኣስዕብ ኣቢሎም ’’ብርግፅ ኤርትራዊያን ወታደራት ሎሚ ናይ ኢትዮጵያ ሓይልታት ምክልኻል ዩኒፎርም ይኽደኑ ከምዘለው ንሰምዕ ኣለና’’ኢሎም። ድሕሪ እቲ ዕፁው ኣኼባ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ዩናይትድ ስቴትስ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ሓይልታት ኤርትራ ንዘይተወሰነ ግዜ ኣብ ትግራይ ክፀንሑ ምእንታን ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ዩኒፎርም ይኽደኑ ከምዘለው እሙናት ፀብፃባት ኣለው ክብላ መግለፂ ኣውፂአን። ‘’መንግስቲ ኤርትራ ብዘይ ውዓል ሕደር ወታደራቱ ካብ ኤርትራ ከውፅእ ኣለዎ’'ኢለን ኣምባሳደር ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ። ሓይልታት ኤርትራ ሓደሽቲ ግፍዕታት ይፍፅሙ ከምዘለው ሰራሕተኛታት ረድኤት ፀብፃብ ምቕራቦም ቀፂሎም ኣለው ኢሎም ማርክ ሎውኮክ።እቲ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ድማ ኣብ ልዕሊ ስቪላት ፆታዊ ዓመፅን ብጉጅለ ኣገዲድካፆታዊ ዓመፅ ምፍፃምን ሰፊሕ ፀብፃባት ይቐርቡ ምህላዎም እዩ ኢሎም። ዲፕሎማት ከምዝበሉዎ እቶም ናይ ሕቡራት መንግስታት ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብቲ ኣኼባ ናይሓንቲ ምስ ስድርኣ ንሽዱሽተ ማዕልታት ኣብ ጫካ ዝተሓብአት ኣሰቃቒ ታሪኽ ገሊፆምሎም ኣለው።እታ ሰበይቲ ኣብቲ እዋን ቆልዓ ወሊዳ እታ ህፃን ድሕሪ ሒደት ማዕልታት ሞይታ።ሰብኣያ እውን ተቐቲሉ። እቶም ዝተረፉ ደቃንምድሓን ትጉዓዝ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኣርባዕተወታደራት ኤርትራ ሒዞም ኣብ ቅድሚ ደቃ ምሉእ ለይትን ዝቕፅል ማዕልትን ተጋሲሶምዋ። ሎውኮክ ንቶም ኣባላት ቤት ምኽሪ ‘’መብዛሕቲኦም ፆታዊ መጥቓዕትታት ወታደራዊ ዩኒፎርምብዝተኸደኑ ሰብኡት እዩ ዝፍፀም’’ ክብሉ ተዛሪቦምዎም።ሎውኮክ ብምውሳኽ ’’ሪፖርት ዝኾኑ ፆታዊ መጥቓዕትታትዝፍፀሙ ብሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ብሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ፍሉይ ሓይልታት ኣምሓራን ካልኦት ዘይስሩዕ ዕጡቓት ጉጅለታት ወይ ብመሻርኽቶም ዝኾኑ ምልሻታትን እዮም’'ኢሎም ። ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ዝተኻየደ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ጠመትኡ ጉዳይ ኣብ ግጭት ዝፍፀም ፆታዊ ዓመፅ እዩ ነይሩ። ብዙሓት ኣባላት ቤት ምኽሪ ካብትግራይ ይወፁ ብዛዕባ ዘለው ፀብፃባት ስኽፍታቶም ብምግላፅ ነፃን ተኣማኒን ምርመራ ተኻይዱ ፈፀምቲ ክሕተቱ ፀዊዖም ኣለው። ኣብ ግጭት ንዝፍፀም ፆታዊ ዓመፅ ዝከታተልን ከይፍፀም ኣብ ምክልኻል ናይ ዝሰርሕን ቤት ፅሕፈትሕቡራት መንግስታት ዝመርሓ ፕራሚላ ፓተን ኣብቲ ኣኼባ ከምዝሓበርኦ ካብ ሕዳር ጀሚሩ ልዕሊ 100 ክስታት ፆታዊ ዓመፅ ተመዝጊቦም ኣለው ኢለን። ንሰን ብምውሳኽ \" ናይዞም ጭካነታት ምሉእ መጠንን ተፅዕኖን ንምፍላጥ ብዙሕ ኣዋርሕ የድልየና እዩ’’ኢለን ። ሰራሕተኛታት ጥዕና ’’ሕዚ እውን ኣግለግሎት ይህባ ኣብዘለዋ ውሱናት መዕቖቢታትን ክሊኒካትይሰርሑ ዘለው ሰራሕተኛታት ሒነ ምፋዳይን መጥቓዕታትን ከይፍፀሞም እንተሰግኡ እውን’’በብማዕልቱ ሓደሽቲ ፀብፃባት ፆታዊ ዓመፅን ብጉጅለ ዝፍፀም ፆታዊመድፈርትን ይስንዱ ኣለው ኢለን ፓተን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/un-hunger-and-rape-rising-in-ethiopia-tigray\/5855952.html"} {"headline":"መግለጺ ኣምባ.ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልንድ ኣብ ኩነታት ክልል ትግራይ","content":"ኣሜሪካ ኣብ ክልል ትግራይ እናገደደ ይመፅእ አሎ ዝበለቶ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘተሓሳሰባን ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ንዘይተወሰነ እዋን ንምፅናሕ ክጥዕሞ ወተሃደራዊ ክዳን\/ዩኒፎርም \/ ኢትዮጵያ ተኸዲኖም ኣብ ትግራይ ምህላዎም ዘርኢ ተኣማኒ ሪፖርትታት ከምዝተረኽበን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪን ፊልድ ትማሊ ኣብ ዘውፀአኦ መግለፂ ሓቢረን ። ኣሜሪካ ኩነታት ትግራይ ኣዚዩ ከምዘተሓሳሰባ ብምግላፅ ደጊማ ኣብ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ከምዘልዓለቶ ኣብቲ መግለፂኤን ጠቂሰን ። ንሰን ወሲኸን ሰራዊት ኤርትራ 'ውን ካብ ኢትዮጵያ ብዘይ ወዓልሕደር ክወፅእ ትፅውዕ ኢለን ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3-%E1%88%8A%E1%8A%95%E1%8B%B3-%E1%89%B6%E1%88%9B%E1%88%B5-%E1%8C%8D%E1%88%AA%E1%8A%95%E1%8D%8A%E1%88%8D%E1%8A%95%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-\/5855976.html"} {"headline":"ኣሜሪካ: ነቶም ብግጭት ክልል ትግራይ ዝተፈናቐሉ ዝውዕል ቴንዳታት ንኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣበርኪታ","content":"ኣሜሪካ ነቶም ብግጭት ክልል ትግራይ ዝተፈናቐሉ ዝውዕል 1,500 ገዘፍቲ ናይ ፕላስቲክ ቴንዳታት፡ ንኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣበርኪታ። ነቲ ሓገዝ ንሓለፍቲ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት(IOM)ን ምኽትል ኮሚሽነር ኢትዮጵያን ዘረከበት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ጊታ ፓሲ`ያ። ኣምባሳደር ጊታ ፓሲ፡ኣብቲ እዋን፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣህጉራዊ ትካላትን ብዘይዕረፍቲ ይሰርሕ ኣሎ እዚ ድማ-ነቶም በቲ ግጭት ዝተጎድኡ 4.5 ሚልየን ኢትዮጵያውያን ህጹጽ ረድኤት ንምብጻሕ'ዩ ኢላ። ዩ ኤስ ኤ ኣይ ዲ፡ ናብ ኢትዮጵያ ዘእትዎ ዘሎ ገዘፍቲ ቴንዳታት መወሰኽታ ናይቲ ኣሜሪካ ኣቐዲማ ዘወፈየቶ 305 ሚልየን ዶላር ምዃኑ`ውን እታ ኣብ ኢትዮጵያ ትርከብ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣፍሊጣ`ላ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%90%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8A%93%E1%89%90%E1%88%89-%E1%8B%9D%E1%8B%8D%E1%8B%95%E1%88%8D-%E1%89%B4%E1%8A%95%E1%8B%B3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8A%A3%E1%88%85%E1%8C%89%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%8A%AA%E1%89%B3\/5856083.html"} {"headline":"'ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ከተማ ዓድዋ ኣብ ሰላማዊያን ሰባት ተኹሲ ከፊቶም 3 ሞይቶም 19 ቆሲሎም' ኣምንስቲ","content":"ወታሃደራት ኤርትራ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ከተማ ዓድዋ ንሰለስተ ሰባት ከምዝቀተሉን ብውሑድ ን19 ከምዘቁሰሉን፣ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ከረጋግጽ ከምዝካኣለ ገሊጹ። ንናይ ዓይኒ መሰኻኽር ጠቂሱ ኣምነስቲ ከምዝሓበሮ \"በታ ከተማ ይሓልፉ ዝነበሩ ወታሃደራት ኤርትራ፣ ኣብ ጥቃ መናሃርያ ኣብ ልዕሊ ሰባት ሃንደበት ከምዝተኮሱ\" ጠቂሱ። ሓላፊት ኣምነስቲ ጨንፈር ቀርኒ ኣፍሪቃ ሳራ ጃክሰን\"ብሰንኪ ዘይሕጋዊ መጥቃዕቲ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት፣ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም 19 ሰባት ኣብ ሆስፒታል ኣትዮም። ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ኮነ ኢልካ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ብዓለምለኸ ሕጊ ክልኩል ስለዝኾነ ደው ክብል ኣለዎ’ ኢላ ። አምነስቲ ወሲኹ \"ኣብ’ቲ ይቅጽል ዘሎ ውግእ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ብዛዕባ ዝባሃሉ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ንገበን ኩናትን ምናልባሽ’ውን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊነት ዝተፈጸመ ገበንን ንቅትለት ኣብ ዓድዋ ሓዊሱ፣ ዓለምለኸ መስርሕ ምጽራይ ንክካየደሉ ጸዊዑ\"። እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ኣገልግሎት ዜና ሮይተር ከምዝሓበሮ \"ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣለው’ዶ ኣይፋሉን? ንዝብል ዝቀረበሉ ሕቶ ዘይመለሰ ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገ\/መስቀል፣ ሰራዊት ኤርትራ ንሰላማዊያን ሰባት ኣይቀትልን፣ ትርጉም ዘይብሉ ምቅታል ሰላማዊያን ሰባት ብሰራዊት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘበገሰቶ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ዘበናት ውግእ ኣይተከሰተን’ ከምዝበለ ጠቂሱ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8B%93%E1%8B%B5%E1%8B%8B-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8A%B9%E1%88%B2-%E1%8A%A8%E1%8D%8A%E1%89%B6%E1%88%9D-3-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D-19-%E1%89%86%E1%88%B2%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B2-\/5854597.html"} {"headline":"ኣብ 5 ዞባታትን 1 ወረዳ ደቡብ ክልል ኢትዮጵያ ኣብ መዓልቲ ሃገራዊ ምርጫ ሕቶ ክልልነት ንምውሳን ምርጫ ከምዝካየድ ተገሊጹ","content":"ኣብ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከባ ሓሙሽተ ዞባታትን ሓደ ፍሉይ ወረዳን፣ ኣብ መዓልቲ ምርጫ ንሕቶ ክልልነት’ውን ንምምላስ ድምጺ ንክውሃብ ምውሳኑ፣ ንመረጽቲ ከምዘየደናግሮም ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ገሊጹ። እቲ ረፈረንደም (ህዝበ ውሳነ) ንምፍጻም ልዕሊ 7 ሚልዮን ቅርሺ ባጀት ከምዝተመደበ'ውን ተሓቢሩ። ርክብ ህዝቢ ቦርድ ምርጫ ሶልያና ሽመልስ \"ሎሚ ‘ውን እንተኾነ መረጽቲ፣ ንኣባላት ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያን ክልላዊ ቤት ምኽሪን ኣብ ሓደ መዓልቲ ከምዝመርጹ ብምዝኽኻር፣ ስለዚ ኣብ ልዕሊ’ዚ ሓደ ተወሳኺ መምረጺ ካርድ ምቅራብ እዩ\" ክትብል ትገልጾ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-5-%E1%8B%9E%E1%89%A3%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-1-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B3-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%88%95%E1%89%B6-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5853236.html"} {"headline":"ብሰንኪ መንነት መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 200 ተወላዶ ኣምሓራ ካብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ከምዝዘናበሉ ተገሊጹ","content":"ብሰንኪ መንነት መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲ ካብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ በብመዓልቱ ልዕሊ 200 ተወለድቲ ብሄረ ኣምሓራ ተመዛበልቲ ከምዝቕበሉ ናይ ኣምሓራ ክልል ኮሚሽነር ፕሮግራም ምክልኻል ሓደጋን ምትሕብባር ውሕስነት መግብን ዘላለም ልጃለም ኣፍሊጡ። ኮሚሽነር ዘላለም ልጃለም ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብዚ ሕጂ ስዓት ኣስታት 5,000 ተመዛበልቲ ከምዘለው ብምሕባር መንግስቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ልዕሊ 350,000 ኲንታል መግቢ የቕርብ ከምዘሎ ገሊጾም።እዚ ልዕሊ ዓቕሚ መንግስቲ ስለዝኾነ ወልቀሰባትን መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላትን ሓገዝ ክገብሩ እቶም ኮሚሽነር ፀዊዖም ኣለው።። ፌደራል መንግስቲ መንነት መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ዝፍፅሙ ኣካላት ዘየዳግም ስጉምቲ ብምውሳድ ተመዛበልቲ ናብ መንበሪኦም ክምለሱ ኩነታት ከመዓራርይ እቶም ኮሚሽነር ሓቲቶም ኣለው ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-200-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B6-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8C%8B-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8B%98%E1%8A%93%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5853183.html"} {"headline":"ዩኤስ ኣይ ዲ ብግጭት ክልል ትግራይ ንዝተፈናቐሉ ዝውዕል መጽለልን ኣቑሓትን ናብ ኢትዮጵያ ከምዘእቱ ኣፍሊጡ","content":"ትካል ረድኤት ስግር ባሕሪ ኣሜሪካ (USAID) ንመጽለሊ ዝኮኑን ናይ ገዛ ኣቁሑትን ቀረባትን ብነፋሪት ናብ ክልል ትግራይ ከምዘእትው ሓቢሩ። ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ሒደት ኣዋርሕ፣ ኣሜሪካ፣ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ይቅጽል ዘሎ ውግእ ንዝተጎድኡ ሰባት ንምሕጋዝ ልዕሊ 300 ሚልዮን ዶላር ከምዝለገሰት ይፍለጥ። ትካል ረድኤት ስግር ባሕሪ ኣሜሪካ (USAID) ንልዕሊ 82,500 ዝዀኑ በቲ ኣብ ትግራይ፣ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ዝተጐድኡ 1,500 ሰባት፣ መጽለሊ ላስቲክን ህጹጽ ረድኤትን ብነፋሪት ከምዘእትው ሓቢሩ። እቲ ዝተጋዕዘ ጥቅሉል ነዊሕ ዝጸንሕ መጽለሊ፣ ካብቲ ኣብ ዱባይ ዚርከብ መኽዘን USAID እዩ ናብ ኢትዮጵያ ከምዘእትው ሓቢሩ። ብሰንኪ እቲ ቀጺሉ ዘሎ ውግእ፣ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ካብ ኣባይቶም ንክሃድሙ ኣገዲድዎም እዩ፣ መብዛሕትኦም ድማ ኣብ ደገ ወይ ኣብ እተጻበበ ስፍራ ይድቅሱ ኣለዉ። USAID ከም መቅድሒ ማይን ድስቲን ካልኦትን ዝበሉ መስርሒ መግቢ ከምኡውን ከም አንሶላን ኮቦርታን ዝኣምሰሉ ናይ ገዛ ኣቅሑን ከምዝልግስ ገሊጹ'ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/usaid-airlifted-shelter-supplies-to-the-people-in-tigray-affected-by-the-conflict-ethiopia-\/5850387.html"} {"headline":"ሚ\/ጥዕና ኢትዮጵያ ዝርግሓ ቫይረስ ኮሮና ይጋደድ ምህላው ገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ፣ ህዝቢ ኣብ ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ዘርእዮ ዘሎ ባህሪ ብሕልፊ ምጥቃም መሸፈኒ ኣፍንጫን ኣፍን (ማስክ) ዝናኣሰ ምዃኑን ለበዳ እቲ ቫይረስ ይጋደድ ከምዘሎን ሚኒስትሪ ጥዕና’ታ ሃገር ገሊጹ። እቲ ቤት ዕዮ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ \"ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብመሰረት ዘካየዶ ዳህሳሳት፣ ኣብ ምክልካል ቫይረስ ኮሮና ዝነበረ ግብረ መልሲታት ዝተሓተ ከምዝነበረ\" ጠቂሱ። ኣብ ቤት ትምህርታት ካብ 79 ሚእታዊት ናብ 76 ሚእታዊት ከምዘንቆልቆለ’ውን እቲ ግብረ ሓይሊ ኣረጋጊጹ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%88%93-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8B%AD%E1%8C%8B%E1%8B%B0%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5851648.html"} {"headline":"ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ውጥረት ሕጂ'ውን ቀጺሉ ከምዝርከብ ተገሊጹ","content":"ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ውጥረት ሕጂ ቀጺሉ ከምዝርከብ ብወገን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ነበርትን ከባቢያዊ ኣመሓደርትን ይገልጹ`ለዉ። ሰራዊት ሱዳን ሕጂ`ውን ኣብቲ ከባቢ ከምዝርከብን ገዛውቲ ከምዘቃጽልን ንንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም ኣለዉ። ንሶም ብተወሳኺ ኣብ ሕርሻታቶም ክራማት ዝጠልቦ ስራሓት ሕርሻ ከይነካይድ ድማ ሰራዊት ሱዳን ጸገም ይፈጥረልና`ሎ`ውን ይብሉ። ነቲ ኣብ ዶብ ሱዳን ዘሎ ውጥረት ክልቲአን ሃገራት ሓንቲ ነታ ሓንቲ ተሓተቲ ክገብራ ጸኒሐን`የን። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ፡ ንወራር ሱዳን ዘይምኹናኑ ዘሕዝን`ዩ ክብል ለንቅነ ንወከልቲ ሕብረት ኤውሮጳ ምሕባሩ ይጥቅስ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%B6%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8B%8D%E1%8C%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%8C%82-%E1%89%80%E1%8C%BA%E1%88%89-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5-%E1%89%A5%E1%8B%88%E1%8C%88%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B9\/5850260.html"} {"headline":"ሃገራዊ መልቀቒ መርመራ ካልኣይ ደረጃ ኣብ መላእ ኤርትራ ይወሃብ ኣሎ","content":"ናይ ካልኣይ ደረጃ ሃገራዊ መልቀቒ መርመራ(ማትሪክ) ሎሚ ሶኑይ 12 ሚያዝያ,2021 ኣብ መላእ ኤርትራ ክወሃብ ጀሚሩ። ሎሚ ዓመት ብደረጃ ሃገር ኣስታት 14 ሽሕ ተማሃሮ ይሳተፉ ከምዘለዉን ካብዚኦም እተን 47% ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾናን ዝሓበረ ቤ\/ጽ ማእከል ፈተና ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ላዕለዎት ትምህርትን ምርምርን ኤርትራ፡ እቲ ኣብ ርያድን ጅዳን ስዑዲ ዓረብ ንዝመሃሩ ኤርትራውያን ክወሃብ ተመዲቡ ዝነበረ መርመራ በሰንኪ ስግኣት ለበዳ ኮረና ቫይረስ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ዘውጽኦ ቅጥዕታት ከም’ቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ሎሚ ዓመት’ውን ከምዘይወሃብ ኣፍሊጡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%89%80%E1%89%92-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A3%E1%8B%AD-%E1%8B%B0%E1%88%A8%E1%8C%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%88%8B%E1%8A%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%8E\/5850255.html"} {"headline":"ልዕሊ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣዕናዊ ኵናት ትግራይ","content":"ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ትግራይ ዝተፈላለዩ ኵናት፣ ዕንወትን ኪሳራታትን ዘለዎ ምኳኑ ብምዝኽኻር እንተኾነ ግን ‘’ከምዚ ናይ ሎሚ ኵናት ኣብ ሓሙሽተ ወርሒ ዝተፈፀመ ግፍዒ፣ጥፍኣትን ዕንወትን ኣብቶም ዝሓለፉ ናይ ኢትዮጵያ ታሪኽ ተኸሲቱ እዩ ዝብል እምነት የብለይን’’ ክብል ይገልፅ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህርን ተመራማራይን ኣብዚ ሕዚ እዋን ንስራሕቲ መፅናዕቲ ኣብ ጀርመን ሃምቡርግ ዝርከብ ዶክተር ሓጎስ ኣብርሃ ። ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ብቀረባ ከምዝከታተል ዝገለፀ ኣብዚ ኣብ ሲያትል ዋሽንግተን ዝነብር ኣቶ ኣበበ ተስፋይ ብወገኑ ህዝቢ ትግራይ በዚ ኵናት ኣዚዩ ከምዝተሃሰየ ይገልፅ። እቲ ኵናት ዝርከበሉ ደረጃ፣ዘውረዶ ዕንወትን ካብዚ ዓፅቕቲ ኢሎም ዝፀውዕዎ ዕንወትን ብርሰትን ከመይ ክ ወፃእ ከምዝክኣልን መፍትሒ ሓሳባት እውን ሂቦም ኣለው ዶክተር ሓጎስን ኣቶ ኣበበን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክ ኣል ።። No media source currently available No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/five-months-tigray-destructive-war-has-immensely-devastated-the-region-said-the-panelists\/5849792.html"} {"headline":"ልዑል ፍሊፕ ማውንትባተን ዓሪፎም","content":"ኣብ ግሪክ ዝተወልዱ ባዓል ቤት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ልዑል ፍልፕ፣ ሎሚ ዓርቢ ኣብ መበል 99 ዓመት ዕድሚኦም ዓሪፎም። ብመሰረት ቤተ መንግስቲ ባኪንሃም ዝዘርገሖ ሓበሬታ ‘ንግስቲ ኤልሳቤጥ፣ ሞት ፍቁረንን ባዓል ቤተንን ልዑል ፍሊፕ፣ ሹም ኤዲንበርግ ከምዝዓረፉ፣ ብዓሚቅ ሓዘን ገሊጸን’ ይብል። ‘ዝተኸበሩ ሹም፣ ሎሚ ንጉሆ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዊንድሶር፣ ብሰላም ዓሪፎም። ተወሳኺ ሓበሬት፣ ኣብ ጊዚኡ ክዋሃብ እዩ’ ይብል’ ቤተ ሰብ ንጉሳዊያን ዝሃብዎ ሓበሬታ። ፍሊፕ ማውንትባተን፣ ኣብ ኮርፉ ደሴት ግሪክ፣ 10 ሰነ 1921 ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ተወሊዶም። ወላዲኦም ልዑል ግሪክን ዴንማርክን ነይሮም። ኣዲኦም ልዕልቲ አሊስ፣ ጓል ጓለን ንንግስቲ ብሪጣንያ ዝነበራ ንግስቲ ቪክቶርያ እየን ነይረን። ፍሊፕን ኤልሳቤጥን፣ ኣብ ዌስትሚንስትር ኣብይ፣ ኣብ 1947 ዓም ፈረንጂ ተመራዒዮም። ክልተ ቆልዑ ወሊዶም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/phlip-mountbaren-died-at-99-\/5848275.html"} {"headline":"ጾመ -ኣርብዓ ኣብ ክልል ትግራይ","content":"ጾመ-ኣርብዓ'ዩ ዘለናዮ ወርሒ። ብኣመንቲ ክርስትና ክርስቶስ ዝጾመሉ 40 መዓልታት ብምኽታል ይጽወም። ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ግምት ብምእታው ጾመ-ኣርብዓ'ኸ ከመይ ይዝከር ይህሉ። ኣብ ከተማ መቐለ ዘሎ ጾመ-ጸሎት ዝተዓዘበ ኣለም ፍስሃ ንዝምልከቶም መራሕቲ ሃይማኖት ብምዝርራብ ዘዳለዎ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%BE%E1%88%98--%E1%8A%A3%E1%88%AD%E1%89%A5%E1%8B%93-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/5847493.html"} {"headline":"ኣሜሪካ ንሰብኣዊ ሓገዝ ክልል ትግራይ ዝውዕል ተወሳኺ 152 ሚልዮን ዶላር ምሃባ ኣፍሊጣ","content":"መንግስቲ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ንሰብኣዊ ሓገዝ ክልል ትግራይ ዝውዕል ብUSIAD ኣቢሉ ተወሳኺ 152 ሚሊዮን ዶላር ከምዝሕግዝ ትማሊ ሓሙስ ኣፍሊጡ። እዚ ተወሳኺ ፈንድ ዩናይትድ ስቴትስ እቲ ቅልውላው ካብ ዝጅመር ንሰብኣዊ ሓገዝ ትግራይ ዘበርከተቶ መጠን ገንዘብ ናብ 305 ሚሊዮን ዶላር ክብ ኢሉ ኣሎ።ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኔድ ፕራይስ ትማሊ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ሰበስልጣን ምምሕዳር ጆ ባይደን ቅልውላ ትግራይ ብዝምልከት ምስ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ምዝርራቦምን ማዕረ ክንደይ ኣኽቢድና ከምእንሪኦ መራሕቲ ኢትዮጵያ ይፈልጡ እዮም ዝብል እምነት ከምዘለዎምን ገሊፆም ኣለው። ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ነድ ፕራይስ እዚ ሓዱሽ ሓገዝ ንህይወት ኣድሕን ምግቢ፣ማይን፣ሕክምናን ክንክን ጥዕናን፣ንመፅለሊ፣ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ሓዊሱ ንሓደጋ ተቓላዕቲ ንዝኾኑ ወገናት፣ፆታ መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲ ንዝሕግዙ ሰራሕተኛታት፣ካብ ስድርኦም ዝተፈለዩ ቆልዑ ምስ ስድርኦም ንምርኻብ ንዝሕግዝ ፕሮግራምን ካልኦትን ዝውዕል እዩ ኢሎም። በዚ ፈንድ እዚ USAID ልዕሊ 148,000 ሜትሪክ ቶን ቅልጡፍ ሓገዝ ምግቢ ከቕርብ እዩ።USAID ንኣርባዕተ ሚሊዮን ሰባት ዝኸውን ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ዝቅልብ 206,000 ሜትሪክ ቶን ምግቢ ኣቕሪቡ ኣሎ ኢሎም። ካብዚ ብተወሳኺ ዝወረዱ መግሃስትታት ሰብኣዊ መሰላት፣በደላትን ግፍዕታትን ብዝምልከት ተወሰኽቲ መረዳእታታት ምስ ዝወፁ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሓለዋ ኣገዳሲ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ክንሕብር ንደሊ ኢሎም። ምምሕዳር ጆ ባይደን ኣብ ቅልውላው ትግራይ ብዝምልከት ምስ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብቐጥታ ፅምዶ ምክያዶም ብምሕባር ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ጄክ ሱልቫን ምስ ምኽትል ቀዳማይ ምንስቴር ደመቀ መኮነን፣ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ብሊንከን ምስ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ፣ሰኔተር ኩንስ ናይ ፕሬዝዳንት ባይደን መልእኽቲ ሒዞም ናብ ኢትዮጵያ ምጉዓዞም ብምዝርዛር ኣብ ኩሎም ፅምዶታት መልእኽታትና ንፁራት እዮም ኢሎም። ‘’ኣብ ኩሎም ፀምዶታትና መልእኽታትና ተመሳሳሊ እዩ’’ ዝበሉ ንሶም ‘’ብዛዕባ ከቢድ ሰብኣዊ ኩነታት ህዝቢ ትግራይ ብዝምልከት ካብ ትግራይ ይወፁ ዘለው ፀብፃባት ኣዚዩ የተሓሳስበና።ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክቐርብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ምግላፁ ብደስታ ንቕበሎ እንተኾነ ግን ምስቲ መፅብዓ ዝቃደው ተግባራት ንደሊ ኢና’’ ኢሎም። ካብ ኣዲስ ኣበባ ይስምዑ ዘለው ይትግበሩ ምዃኖም ምክትታልና ክቕፅል እዩ፤ክበፅሕ ክረጋገፅ ንፅውዕ ኢሎም። ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ መንግስቲ ኤርትራ ወታደራቱ ካብ ኢትዮጵያ ንምውፃእ ምስምምዑ ምግላፆም ተተባቢዒና ኢና ዝበሉ ወሃቢ ቃል ኔድ ፕራይስ እቲ ቃል ግብራዊ ዝገብር ብዘይውዓልን ምሉእን ምውፃእ ሓይልታት ኤርትራ ክንሪኢ ንደሊ ኢና ኢሎም። ተፃብኦ ጠጠው ምባልን ሓይልታት ኣምሓራን ናብ ትግራይ ምውፋር ጠጠው ክብል ኣገዳሲ እዩ ኢሎም። ተፃብኦ ጠጠው ምባልን መንግስትቲ ኢትዮጵያ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ትግራይ ምውፋሩ ከብቅዕን እዞም ክልተ ነገራት ኣብ ትግራይ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ተበፃሕነት ንምርግጋፅ ኣገደስቲ ምዃኖም ንፈልጥ ኢና።ዘይተደረተ ተበፃሕነት ንምርግጋፅ መንግስቲ ተወሰኽቲ ኣገባባት ክትግበር ንፅውዕ ኢሎም። ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይን መንግስቶምን ንክብደቱ ፃውዒት ዩናይትድ ስቴትስ ማዕረ ክንደይ ተረዲኦምዎ ንዝብል ዝቐረበሎም ሕቶ ፕራይ ‘’መሪሕነት ኢትዮጵያ ማዕረ ክንደይ ብርዝነት ከምዝሓዝናዮ ይፈልጡ እዮም ዝብል እምነት ኣለኒ።እቲ መሪሕነት ብቐጥታ ካብና ዝሰምዖ መልእኽቲ እዩ።ብዝተፈላለዩ መሓውራትናን መልእኽተኛታትን ዘብፃሕናዮ መልእኽቲ እዩ።ሕዚ እውን ደጊመ ንምግላፅ እቲ መልእኽቲ ተመሳሳሊ እዩ’’ ኢሎም። ስኽፍትታትና ካብ ትግራይ ብዝወፁ ፀብፃባት ዝተመስረቱ ምዃኖም ምስጢር ኣይኮነን ዝበሉ እቶም ወሃቢ ቃል ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ነዊሕ ርሕቐት ተጓዒዝና ኢና ኢሎም።ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ሃገራዊ ልምዓት ጉጅለ ግብረ መልሲ ሓገዝ ሓደጋ DART ናብ ትግራይ ከምዘዋፈረ ገሊፆም። ኣብ ቅድሚት ዘሎ ዕማም እዞም ካብ ኣዲስ ኣበባ ይወፁ ዘለው ሃንፅቲ መግለፅታት ብጭቡጥ ስጉምታት ክዕጀቡን ኣብ ትግራይ ምስ ዝተፈጥረ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝምጥን ኣብ ምክትታል መሪሕነት ኢትዮጵያ ከምዝሰሑ ኣይንጠራጠርን ኢሎም ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ኔድ ፕራይስ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/us-announced-additional-152-million-dollar-humanitarian-assisstance-to-ethiopia-tigray-region\/5847415.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ቁጽሪ ብቫይረስኮሮና ዝተሓዙ ሰባት ብናህሪ ምውሳኹ ቢሮ ጥዕና'ቲ ክልል ሓቢሩ","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተሓዙ ሰባት ብዝሖም ብዘሰንብድ ኩነታት ምንሃሩ ከምዘተሓሳሰቦ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ኣፍሊጡ። በቲ ቫይረስ ዝልከፍ ሰብ ብብዝሒ ምውሳኹ ጥራሕ ዘይኮነ ናብ ጽኑዕ ክንክን ዝኣትው ሰባትን በቲ ቫይረስ ዝሞቱን ሰባት ብዝሖም ይውስኽ ምህላውን ብድሆ ኮይኑ ከምዘሎን እቲ ቢሮ ገሊጹ። ህዝቢ ንነብሱ ካብ’ቲ ቫይረስ ንክሕሉ’ውን ቢሮ ጥዕና ክልል ኣምሓራ ጸዊዑ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%89%A5%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%93%E1%8B%99-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%B9-%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%8A%95%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5847447.html"} {"headline":"ኣብ ኤርትራ መስርሕ ምምሃር ምስትምሃር መምርሒታትን መከላኸሊ ቅጥዕታትን ኮሮና ቫይረስ አማሊኡ ይካየድ ምህላው ተገሊጹ","content":"ሚያዝያ ሓደ ዳግማይ ዝጀመረ መስርሕ ትምህርቲ ብሚኒስትሪታት ጥዕናን ትምህርትን ዝወጽኡ መምርሒታትን ቅጥዕታትን ኣማሊኡ ብጽቡቕ ይካየድ ከምዘሎ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም መምህራንን ተማሃሮን ገሊጾም። ርእሰ መምህራን ኣብያተ ትምህርቲ ኣዱሊስን ቤት-ሳብሪንን ምስ ደረጃ ዕድመን ባህሪ ተማሃሮ ብዝሳነን ንድሕነት ተማሃሮ ብዘውሕስን ኣገባብ ይምህሩ ከምዘለዉ ተዛሪቦም። ትምህርቲ ዳግማይ ምጅማሩ ከምዘሕጎሶም ዝጠቐሱ ተማሃሮ ብመምህራን ዝወሃቦም ዘሎ ትምህርቲ ንዝረስዕዎ ትምህርቲ ኣብ ምዝኽኻር ከምዝሓገዞም ተዛሪቦም። መምህራን ብወገኖም ንተማሃሮ ናብ ንቡር መስርሕ ትምህርቲ ንምምላስ ንዘለዎም ጸቕጢ ተጻዊሮም ተዓጻጺፎም ይሰርሑ ከምዘለዉ ተዛሪቦም። ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኤርትራ ጀነራል ዳይረክተር ክፍሊ ምርምርን ምምዕባል ዓቅሚ-ሰብን ኣቶ ጴጥሮስ ሃይለማርያም ንምጅማር ትምህርቲ ኣመልኪቱ ንማዕከናት ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ቅድሚ ትምህርቲ ምጅማሩ ዝድሊ መምርሒታትን ኣስተምህሮታትን ከምዝተውሃበ ብምጥቃስ ኣብ ኣብያት ትምህርቲ ዘሰክፍ ጥዕናዊ ጸገም ምስ ዘጋጥም ካብ ምውሻብ ክሳብ ምዕጻው ቤት ትምትምህርቲ ዝከይድ ስጉምቲ ክውሰድ ከምዝኽእል ገሊጹ:: ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዶ\/ር ተስፋይ ሰሎሞን ብወገኑ ንተጸዋዕቲ ጥዕና ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ምክልኻልን ምክትታልን ለበዳ ኮቪድ 19 ዘድሃበ ስልጠና ከምዝተውሃበን መዐቀኒ ረስን ከምዝተዓደለን ምልክታት ኮቪድ 19 ዝመስል ተርእዮ ምስ ዘጋጥም ናብ ኣብ ኣብያት ትምህርቲ ብምኻድ ጥዕናዊ መርመራን ሓገዝን ክግበር ምዃኑ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%83%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%83%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%92%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8A%A8%E1%88%8B%E1%8A%B8%E1%88%8A-%E1%89%85%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%88%9B%E1%88%8A%E1%8A%A1-%E1%8B%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%83%E1%88%8D%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5846182.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ኣብ ክልል ትግራይ ጾታዊ ዓመጽ ዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮን አካያዲ ስራሕ ዝሕግዝን ትካልን","content":"ካብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈጸመ ወሲባዊ ዓመጽ፣ ንኣቦ ኩሉ ሕማቅ ተግባራት ዝኾነ ሰይጣን'ውን ዘሰንብዶ እዩ ክብሉ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ገባሪ ሰናይ ትካል ማሕበራዊ ኣገልግሎት ጥዕናን ልምዓትን ኣቶ ይርጋ ገብረእግዚአብሄር ገሊጾም። ንኣቶ ይርጋን ጾታዊ ዓመጽ ንዝተፈጸመን ደቂ ኣንስትዮን ብምዝርራብ ዝተዳለወ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8C%BE%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%8C%BD-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98%E1%8A%95-%E1%8B%B0%E1%89%82-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AB%E1%8B%B2-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%89%96%E1%89%A3%E1%88%89-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%95\/5844576.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ተቋሪጹ ዝጸንሓ ኣገልግሎት ኤሌትሪክ ኣብ ገለ ከባቢታት ምጅማሩ ተገሊጹ","content":"ኣብ መላእ ትግራይ ንመዓልታት ተቋሪጹ ዝቀነየ ኣገልግሎት ኤሌትሪክ ኣብ ገለ ከተማታት ጀሚሩ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሰብኣዊ ኩነታት’ቲ ክልል ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዝርከብ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ። ምቅራብ ሰብኣዊ ሓገዛት ምምሕያሽ ኣርእዩ እዩ፣ እንተኾነ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ፣ ማእከላይ፣ ምብራቅ፣ ደቡባዊን ደቡብ ምብራቅን ትግራይ ውግእ ይካየድ ከምዘሎ’ውን እቲ ዜና ይሕብር። ዝተወሰኑ ትካላት ረድኤት ኣብ ግጀትን ሳምረን ከምኡ'ውን ኣብ ደቡብ ምዕራብንን ደቡብን ትግራይ ከምዝበጽሑን መብዛሕተኦም ነበርቲ’ተን ከተማታት ከምዝሃደሙን ተሓቢሩ'ሎ። ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ወሲኾም ‘2.5 ሚልዮን ገጠረታይ ትግራይ፣ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ሓገዝ ክበጽሖም ከምዘይካኣለ ገሊጾም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A0%E1%89%8B%E1%88%AA%E1%8C%B9-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%93-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%8C%E1%89%B5%E1%88%AA%E1%8A%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%88%E1%88%88-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8C%85%E1%88%9B%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5844458.html"} {"headline":"ሱሉሳዊ ዘተ ኢትዮጵያ ግብጺን ሱዳንን ኣብ ግድብ ህዳሴ ብዘይፍረ ተበቲኑ","content":"ወከልቲ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን፣ ኣብ ኮንጎ ኪንሻሳ የካይድዎ ዝነበረ ልዝብ ኣብ ዝተቋረጸሉ ሰዓት፣ \"ኣብ ገጽ ኩሎም እቶም ተላዘብቲ፣ ሕርቃንን ብስጭትን ይራኣይ ከምዝነበረ\" ኣብ’ታ ከተማ ዘላ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ኣናስታሲ ቱዴሺ ገሊጻ። ኣብ ሰለስቲኦም ወገናት ዝተንጸባረቀ ናይ ምጥቅቃን መንፈስ ምኳኑ ካብ ዝሃብዎም መግለጺታት ምርኣይ ይካኣል ኢላ። No media source currently available እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ብሰንኪ ማይ ኣባይ፣ ኣብ’ቲ ዞባ ናይ ግጭት ሓደጋ ከይሕይል፣ ኩሎም ወገናት ኣፈላላዮም ብመንፈስ ምትሕብባር ንክዘራረቡ መተባብዒ ይቀርብ ኣሎ። ንወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ዝቀረበ ሕቶ \"ግብጺ ንኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ተገዳስነት ዝጎደሎ ልዝብ ከምዝነበረ\"ብምጥቃስ ኣማሪራ ኣላ። ናይ መወዳእታ ዕድል’ውን ኢላ'ላ። ዲፕሎማሲ ክሳዕ ክንደይ ክዕወት እዩ? ዝብል ሕቶ ቀሪቡሉ ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት \"እንካ ሃባን ልዝብን ዘለዎም ረብሓ ምጉላህ ኣገዳሲ እዩ። ኩለን ሃገራት ኣብ ልዕሊ’ቲ ጉዳይ ንክሰማማዓ ክነተባብዐን ንደሊ። ኣብ’ቲ ልዝብ ስለዘይነበርና ግና፣ ጸግዒ ሒዝና ንዛረበሉ ዕድል ክህሉ ኣይኽእልን\"ዝብል መልሲ ሂቡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B1%E1%88%89%E1%88%B3%E1%8B%8A-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%8C%BA%E1%8A%95-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8D%8D%E1%88%A8-%E1%89%B0%E1%89%A0%E1%89%B2%E1%8A%91\/5844434.html"} {"headline":"‘’ኣደይ ደም እናነብዐት፣ሓወይ ተቐቲሉ ናብ ገደል እናተደርበየ፣እርምቲ ሓፍተይ ግዕዙያት እናደፈሩዋ ታሕጓስ ክስምዐኒ ዓቕሚ ይሓፅረኒ’' ኣርቲስት ኢሳያስ ታደሰ","content":"ኢሳያስ ታደሰ ኣብ ከተማ ውቕሮ ተወሊዱ ዓብዩ።ካብ ቀዳማይ ክሳብ 12 ክፍሊ ኣብ ትሽዓተ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝተምሃረ ይግለፅ።ወለዱ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብምዃኖም ተንቀሳቐስቲ ብምንባሮም ካብ ቀዳማይ ክሳብ 12 ክፍሊ ኣብ ትሽዓተ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝተምሃረ ይገልፅ።ኣብ ሓዲኡ ሓደ ሰሚስተር ኣብ ገሊኡ ድማ ሓደ ሰሚስተርን ንላዕልን እናኸደ።ኣብ ዩኒቨርስቲ ጂማ ብስቪል ምህንድስና ተመሪቑ ኣብ ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ተዋፊሩ ይሰርሕ።ጎኒ ንጎኒ ካብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ብፊልም ፕሮዳክሽን ክልኣይ ድግሪ ወይ ማስተርስ ዲግሪ ተምሪቑ፣ሕዚ እውን ናይ ፍልስፍና ተምሃራይ እዩ። 18 መጋቢት 2020 ዓ\\ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝነበረ ስነስርዓት ሽልማት ‘’ጉማ ፊልም’’ካብ ናይ ሓፂር ፊልም ምድብ ብሉፅ ተባሂሉ ናይዚ ዓመት ተዓዋታይ ኮይኑ ተሸሊሙ። ‘’ቀብድ’' ዘርእስታ እዛ ናይ ኣምሕርኛ ፊልም ፈላሚትን ብሕታዊትን ፊልም ውፅኢት ስርሑ እያ።’'ትግራዋይ’’እትብል ሓንቲ ደርፊ እውን ኣብ ቀረባ ኣውፂኡ ኣሎ።ኣብቲ መድረኽ ብትግርኛ ዘስምዖ ሓፂር መደረ መዘራረቡ ኮይኑ እዩ። ኣብቲ ናይ ኣምሓርኛ መድረኽ ብትግርኛ ዝተዛረቦ ሓፂር መደረ ‘’ኣብዚ ዓብይ መድረኽ እዚ ብሉፅ ስራሕ ሰሪሕካ ተባሂለ ክሽለም እንተለኹ ዓብይ ክብርን ታሕጓስን ክስምዐኒ ምተገብአ’’ ምስ በለ ከምዚ ኢሉ።’’ይኹንድኣምበር ኣደይ ደም ንብዓት እናነብዐት፣ሓወይ ተቐቲሉ ናብ ፀድፊ እናተደርበየ፣እርምቲ ሓፍተይ ግዕዙያት እናደፈሩዋ ኣብዘላትሉ ግዜ ታሕጓስ ክስምዐኒ፣ክብሪ ክስምዐኒ …ዓቕሊ ይሓፅረኒ’'ኢሉ።ብምቕፃል ‘'ንብዓት ኣደይ እንትሕበስ፣ክብሪ ዓደይ እንትምለስ ከርክበሉ እየ’’ብምባል ሰላምን ራህዋን ንኩሉ ተመኒዩ ኣርቲስት ኢሳያስ። ኣብቲ መደረኽ ብትግርኛ ዝመረፀሉ ምኽኒያት ክዛረብ ከሎ ትግርኛ ‘’ናይ ልበይ ምስ ናይ ልቢ መዛርብተይ ዝኾነ ንምግላፁ ኣብ ዘፀግም ሓዘን ምስ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ንምዝራብ እዩ’’ኢሉ። ምሉእ ትሕዝትኡኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/while-my-other-is-weeping-a-tear-of-blood-i-wont-celebrate-the-award-said-award-winner-esayas-tadesse-in-his-acceptance-speech\/5844151.html"} {"headline":"ዓመታዊ ፀብፃብ ሚኒስትሪ ጉ\/ወጻኢ ኣሜሪካ ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ","content":"ሚኒስትሪ ጉ\/ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ዙሪያ ዓለም ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት በብዓመቱ ብዘውፅኦ ፀብፃብ መሰረት ናይ ኢትዮጵያ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት እውን ኣውፂኡ ኣሎ።4 ሕዳር 2020 ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልካል ኢትዮጵያን ሓይልታት ፀጥታ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ኣብ ክልል ትግራይ ዝተጀመረ ኵናትን ብሰንኪ ይካየድ ዘሎ ዝተናውሐ ግጭትን ከበድትን ሰፋሕትን መግሃስታት ምፍፃሞም እቲ ፀብፃብ ገሊፁ ኣሎ። እቲ ዓመታዊ ፀብፃብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምምፅኦም ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ብኣወንታዊ ለውጢ ዝተዓጀበ ነይሩ ይብል።መንግስቲ ብኽሕደት ተኸሲሶም ዝነበሩ ፖለቲካዊ መራሕቲ ናብ ሃገሮም ክኣትው ብምዕዳም ፖለቲካዊ ምንቅሳቓሶም ከሰጉሙ፣ናይ ምድጋፍን ምቅዋምን ሰልፍታት ምክያድ ብምፍቃድ፣ዓፈንቲ ሕግታት ብምምሕያሽን ወዘተ ለውጥታት ምክያዶም ይገልፅ። ምኽፋት ፖለቲካዊ ሃዋህው ፈተነታት ከምዝገጠሞን እቲ ለውጢ ብዘፈር ፀጥታ ሓዊሱ ኣብ ትሕቲ ድኹም መሓውራት መንግስቲ እዩ ተኻይዱ።ናይ ዘርእታት ወጥሪ ወሲኹ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ቡዙሕ ህውከት ስዒቡ።ኣብ መንጎ ዜጋታት ሕድ ሕዶም ብዝተፈጥረ ህውከት ዓበይቲ መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ተፈፂሞ ይብል እቲ ፀብፃብ። 4 ሕዳር 2020 ኣ\\ፈ ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሓይልታት ፀጥታ ህዝባዊ ወያነሓርነት ትግራይን ኣብ ክልል ትግራይ ብዝጀምረ ኵናትንን ብሰንኪ ይካየድ ዘሎ ዝተናውሐ ግጭትከበድትን ሰፋሕትን መግሃስታት ምፍፃሞም እቲ ፀብፃብ ገሊፁ ኣሎ። ብሓይልታት ፀጥታን ናይ ውልቂ ኣካላትን ዘይሕጋዊ ወይ ብሃበ ተረኽበ ምቕታል፣ሽሞም ብዘይፅዋዕ ዕጡቓት ጉጅለታት ብሓይሊ ምስዋር፣ምስቓይን ጭካነ ዝተመልኦም ተግባራትን፣ብመንግስቲ ኢሰብኣዊ ወይ ዘዋርዱ ኣተሓሕዛታት ወይ መቕፃዕቲ ምፍፃሞም ይግለፅ። እቲ ፀብፃብ ብምስዓብ እቲ ውግእ ንብምሉኡ ክልል ትግራይ ተንኪፉዎ እዩ ኢሉ። ክሳብ መወዳእታ ታሕሳስ ብዘይካ መቐለ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኣዚዩ ውሱን ተበፃሕነት ብምንባሩ ብዛዕባ ዝወረደ መጠን መግሃስቲ ንምፍላጥ ኣፀጋሚ ነይሩ ይብል እቲ ፀብፃብ።ኣብ ትግራይ ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ሓዊሱ ሰፊሕ ወራርን ዕንወትን መሰረተ ልምዓት ምፍፃሙ ብርክት ዝበሉ ፀብፃባት ቀሪቦም እዮም። ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ፣ሓይልታት ፀጥታ ጎረቤት ክልላት፣ሰራዊት ኤርትራ፣ናይ ውልቂ ምልሺያታትን ሓይልታት ፀጥታ ህወሓትን ኩሎም ንሰብኣዊ መሰላት ጊሂሶምን በዲሎም እዮም ይብል እቲ ፀብፃብ።እቲ ግፍዒ ብዘይፍርዲ ምቕታል፣ፆታዊ ዓመፅ፣ ንስቪል ህዝቢ ብሓይሊ ምምዝባልን መስቀይቲ ምፍፃምን ዝሓወሰ እዩ።ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ኣብ ብሃበ ተረኽበ ምእሳር ተፀሚዶም ከምዝነበሩ ፃብፃባት ኣለው። ሕቡራት መንግስታት ሓዊሱ ዓለምለኸ ውድባት ሰብኣዊ ቅልውላው እናተኸሰተ ከምዝኾነን መሰረታዊ ቀረባት ምግብን ሕክምናን ንምሕጋዝ ምድላዎ ገሊፆ ም እዮም ይብል እቲ ዓመታዊ ፀብፃብ። ኣብ ግጭት ክልል ትግራይ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ንሓደጋ ዝተቓልዑ ከምዝኾኑን ይገልፅ እቲ መግለፂ።ኣብ ኣርባዕተ መዕቖቢ ስደተኛታት ሺመልባ፣ሕፃፅ፣ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን 96,000 ዝግመቱ ኤርትራዊያን ስ ደተኛታት ኣዕቒቦም ነይሮም።ሕፃፅን ሽመልባን ናብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፀግዑ ከምዝነበሩን ኣብ መወዳእታን ሕዳርን መጀመሪያ ታሕሳስን ግጭት ኣብ ዝቐፀለሉ እዋን ምብፃሕ ስለዘይክኣል ብዘይ ምግቢ፣ማይን ቀረባት መድሓኒትን ኩነታት ናይቶም መዕቆቢ ስደተኛታት ኣፀጋሚ ከምዝገበሮ እቲ ፀብፃብ ይሕብር። መንግስቲ ካብ መዕቖቢ ማእኸላት ዝሃደሙ ስደተኛታት ብሓይሊ ይመልሶም ከምዝነበረ ዝገልፁ ፀብፃባት ኣለው።ናብ ኤርትራ ብኣስገዳድ ዝተመለሱ ከምዘለው እውን ፀብፃብ ኣሎ።ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ስደተኛታት ህወከት ከምዝተፈፀሙ ዝሕብሩ ፀብፃባት እውን ኣለው። ካብዚ ብተወሳኺ ንህወት ሓደጋ ዝኸውን ናይ ማእሰርቲ ኩነታት፣ብሃበ ተረኽበ ምእሳር፣ምቕታል ስቪላት ዝሓወሰ ውሽጣዊ ግጭትን ከበድቲ መግሃስታትን ምፍፃም፣ከበድቲቲ ዝኾኑ ሓሳብ ናይ ምግላፅ ደረታት፣ንጋዜጠኛታት ምንክልባት፣ናይ ፕረስ፣ ኢንተርኔተን ምድራትን ምዕፃውን፣ምዕፃው ማሕበራዊ መራኸቢ፣ከበድቲ ተግባራት ግዕዝይና፣ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንትዮ ዝፍፀም ዓመፅ ምርመራ ዘይምክያድን ተሓታቲ ዘይምግባርን፣ዘርኢ ወይ ነገድ ዒላማ ፅገበሩ ገበናትን ምፍፃሞም ገሊፁ እቲ ፀብፃብ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ንዝግሃሱ ሰበስልጣን ንምኽሳስ ስጉምቲ ከምዘይወስድን ብስኣን ዓቕሚ መሓውራት መንግስቲ በደለኛታት መቕፃዕቲ ከምዘይረኽቡን ወሲኹ ይገልፅ እቲ ትካል። እቲ ፀብፃብ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፀጥታን ህዝብን ዘሎ ርክብ ብምልዋጥ ተሓታትነት ንክህሊ መንግስቲ ኣወንታዊ ስጉምትታት ወሲዱ እዩ ይብል።ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ቤት ፅሕፈ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣካል መንግስቲ ዝኾነ ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽንን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝተብሃለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ብሓይልታት ፀጥታ ተፈፂሞም ዝተብሃሉ መግሃስትታት ሰብኣዊ መሰላት ዘቕረቦ ፀብፃብ መሰረት ብምግባር ምርመራ ኣካይዶም እዮም ይብል እቲ ዓመታዊ መግለፂ። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ዘይመንግስታዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን 29 ሰነ 2020 ኣ\\ፈ ሞት ድምፃዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተፈፀመ ዘርኢ መሰረት ዝገበረ ቅትልታ ንምምርማር መርመርቲ ናብ 40 ባቢታት ክልል ኦሮሚያ ልኢኾም እዮም። 27 ነሓሰ 2020 ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን ኣብ ዘውፅኦ ጋዜጣዊ መግለፂ ሓይልታት ፀጥታ ኣብ ኣንሳሳ፣ሻሸመኔ፣ባሌ ሮቤ፣ጊንር፣ኣሰቦት፣ጪሮን ኣወዳይን ናይ ተቓውሞ ሰልፈኛታት ቂቲሎም። ሞት ድምፃዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘርኢ መሰረት ገይሩ ኣብ ዝነበረ ህውከትን ዕንወት ንብረትን 9,500 ዝግመቱ ሰባት ተኣሲሮም እዮም። 29ን 30 ሰነ 2020ኣ\\ፈ ጉጅለታት መናእሰይ ኣብ ክልልኦሮሚያ ዞባታት ኣርሲን ባሌን ንገጠራት ኣጥቒዖም።ሞት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ፌደራል ፖሊስ ኣብቲ ህውከት ተሳቲፎ ወይ ነቲ ህውከት ኣይተኸላኸሉን ብዝብል ን1,500 ሰበስልጣን ናይቲ ክልል ኣሲሩ።እቲ ፀብፃብ ወሲኹ ንምንፃል ዝቃለስ ዕጡቕ ኡጅለታት ናይ ምዕራብ፣ማእኸላይን ደቡባዊን ኦሮሚያ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ \\ኦነግ ሸኔ\\ ንስቪላትን ሰበስልጣን መንግስትን ቀቲሉ ይብል ዓመታዊ ፀብፃብ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/us-state-department-human-rights-report-on-ethiopia-detailed-human-rights-viloations-and-abuses\/5842971.html"} {"headline":"ኣተሓሕዛ ቫይረስኮሮና ኣብ ታንዛንያ ከምዘተሓሳሰቦም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ገሊጾም","content":"ኣብ መላእ ዓለም ዝተኸሰተ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፣ ኣብ ታንዛንያ ዕሽሽ ዝተባሃለሉ ኣገባብ ከምዘሻቅሎት ኣብ’ታ ሃገር ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ገሊጾም። ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ይዋሃብ ዘሎ ክታበት ጸረ ኮቪድ 19 ኣብ ታንዛንያ ይዋሃብ ከምዘየለ’ውን ጠቂሶም። ሓደ በቲ ቫይረስ ዝሓመመ ኢትዮጵያ፣ ንሓኪማት ሓገዝ ሓቲቱ ከምዝተከልከለ፣ እንተኾነ ክሳብ ሎሚ ብኮቪድ 19 ሓሚሙ ዝሞተ ኢትዮጵያ ከምዘየለ ርእይቶኦም ዝሃቡ ኢትዮጵያዊያን ገሊጾም ኣለው። ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ታንዛንያ ዮናስ ዮሴፍ \"ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ 19፣ ስደተኛታት ንዓዶም ናይ ምምላስ ስራሕ ከምዝቀጸለን፣ ብቫይረስ ኮሮና ዝሓመሙ ሰባት ክሳብ ዝሕሾም ኣብ ዘለውዎ ንክጸንሑ ከምዝግበርን፣ ዛጊት በቲ ሕማም ዝዓረፈ ኢትዮጵያዊ ከምዘየለ\" ገሊጾም ኣለው። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ፕረዚደንት ታንዛንያ ሳምያ ሱሉሁ ሓሰን \"ኣብ’ዚ ቀረባ ብዝዓረፉ ፕረዚደንት ጆን ሙጉፉሊ ተዓጽየን ዝነበራ መሓውራት ዜና ናብ ስርሐን ከምዝምለሳ፣ ለበዳ ኮቪድ 19 ንምክልኻል ሳይንሳዊ ኣገባብ ከምዝኽተላ\" ኣፍሊጠን። ሓዳስ ፕረዚደንት ታንዛንያ ነዚ ርእይቶ’ዚ ዝሃባ \"ንሓድሽ መዝነት ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ኣብ ዝኸፈታሉ እዋን’ዩ። ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ዝሓለፉ ፕረዚደንት ዝተዓጸዋ መሓውራት ዜና ዝተነበረ እገዳታት ንክላዓል’ውን ጸዊዔን። እተን ፕረዚደንት\"ገለ መሓውራት ዜና ከምዝተዓጸዋ ሰሚዔ፣ ክፈትወን። እንተኾነ ንመምርሒን ሕጊን ንክኽተላ መዓዱወን\" ኢለን ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%95%E1%8B%9B-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B3%E1%8A%95%E1%8B%9B%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%B3%E1%88%B0%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A5%E1%88%A9-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D-\/5843057.html"} {"headline":"ኣብ መዝገብ ክሲ ኣቶ ጀውሃር መሃመድ ዝተኸሰሱ ጥርጡራት ቤት ፍርዲ ቀሪቦም","content":"አብ ትሕቲ መዝገብ ክሲ ጀውሃር መሓመድ ዝተኸሰሱ ጥርጡራት ሎሚ ኣብ ቤት ፍርዲ ከምዝቀረቡ ተገሊጹ። ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ዝሓለፈ ቆጸራ ቤት ፍርዲ፣ ብመሰረት ኣዋጅ ምስክር ጠበቃ፣ ዘቅረብኩዎም ምስክራት ስለድሕነቶም ተባሂሉ ብድሕሪ መጋረጃን ኣብ ዕጹው መጋባእያን ይቅረቡለይ ከምዝበለ ዝዝከር እዩ። ተኸሰስቲ ብወገኖም ንናይ ምክልኻል መሰልና ዝግድብን፣ ናይ ዓቃቢ ሕጊ ክሲ ዝእመን ኣይኮነን ኢሎም ንጥርዓን ዓቃቢ ሕጊ ንክነጽጎ ነቲ ቤት ፍርዲ ሓቲቶም እዮም። ጠበቃ ተኸሰስቲ ኣቶ ከድር ቡሎ ነዚ ጉዳይ ዝመርመረ ቤት ፍርዲ፣ ነቲ ሕቶ ነጺግዎ ኢሎም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%8C%80%E1%8B%8D%E1%88%83%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%88%83%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%88%B0%E1%88%B1-%E1%8C%A5%E1%88%AD%E1%8C%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%89%80%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/5843037.html"} {"headline":"ኣብ ክልተ ወረዳታት ምዕራብ ወለጋ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ 12 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ","content":"ዕጡቃት ኣብ ክልተ ወረዳታት ምብራቅ ወለጋን ሆሮ ጉዱሩን መጥቃዕቲ አውሪዶም ንሰላማዊያን ሰባት ከምዝቀተሉ ተፈሊጡ። ብሰንኪ’ቲ መጥቃዕቲ 12 ሰባት ከምዝሞቱን ብዝሖም ዘይተነጸሩ ሰባት ከምዝቆሰሉስ ፣ ናይ ዓይኒ መሰካኽር ይገልጹ። ኣማሓደሪ ዞባ ሆሮ ጉድሩ ኣቶ በቀለ ደቻሳ \"ኦነግ ሸኔ፣ ኣብ ኣቤ ደንጎሮ፣ ንሰለስተ ሲቪላትን ሰለስተ ምልሻታትን ቀቲሎም\" ኢሎም። ክልተ ካብ’ቶም ዕጡቃት’ውን ከምዝሞቱ ጠቂሶም። ኣማሓዳሪ ዞባ ምብራቅ ወለጋ ብወገኖም \"ኣጻርየ ርእይቶ ክህብ እየ\" ኢሎም ኣለው። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ወረዳ ኣንፆኪያ ገምዘን ኣብ ምምሕዳር ማሕበረሰብ ኦሮምያ ዞባ ኣርጡማ ወረዳ ፋርሲን ኣብ ዘራኽቡ ቀበሌ ኣገረማርያም ማጮራን ቀበሌ ዲምቱ ጨቆርሶ ብዝተላዕለ ጎንፂ ሞት ክልተ ሰባትን መቁሰልቲ ሓሙሽተ ሰባትን ከየስዓበ ኣይተረፈን ክብሉ ካብቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ የመልክት ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8C%8B-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-12-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5843023.html"} {"headline":"ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ኤሌትሪክ ምቁራጹ ተገሊጹ","content":"ኣብ መብዛሕቲኡ ከባብታት ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ካብ ዝቋረጽ ሓሙሻይ መዓልቱ ከምዝሓዘ ይግለጽ ኣሎ። በዓል-ስልጣን ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢትዮጵያ ምኽንያት`ቲ ምቁራጽ ክሳብ ሕጂ ከምዘይፈለጦን ነቲ ጸገም ንምልላይ ጻዕሪ ይገብር ከምዘሎን ኣፍሊጡ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%89%A5%E1%8B%9B%E1%88%95%E1%89%B5%E1%8A%A1-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%8C%E1%89%B5%E1%88%AA%E1%8A%AD-%E1%88%9D%E1%89%81%E1%88%AB%E1%8C%B9-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5841535.html"} {"headline":"ሚ\/መጓዓዝያን መረኸቢታትን ኤርትራ ውሱን ስሩዕ ኣህጉራዊ በረራታት ኣየር ከምዝጅምር ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ክፍላ ወርሒ ሚያዝያ ካብን ናብን ኣስመራ ውሱንን ስሩዕ ኣህጉራዊ በረራታት ከምዝጅምር ሚኒስትሪ መጓዓዝያን መራኸቢታትን ኤርትራ ሎሚ ሶኑይ 5 ሚያዝያ,2021 ኣፍሊጡ’ሎ። እቲ በረራ ኣብ ሰሙን ሓንሳብ ዱባይ-ኣስመራ ከምኡ’ውን ኣዲስ ኣበባ-ኣስመራ ዝግበር በርራታት ከምዝኾነ ዝጠቐሰ እቲ ሚኒስትሪ፡ ተጓዓዝቲ ቅድሚ ምብጋሶም ካብ ሕጋዊ ትካል መርጋገጺ ምስክር መርመራ ኮቪድ 19 ከቕርቡን ከምዝግደዱን መንገዲ ኣየራት ከኣ ናይ’ቲ ስነድ ሕጋዊነት ናይ ምርግጋጽ ሓላፍናት ከምዘለዎም ኣምልኪቱ'ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A-%E1%88%98%E1%8C%93%E1%8B%93%E1%8B%9D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%88%A8%E1%8A%B8%E1%89%A2%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%8D%E1%88%B1%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%88%A9%E1%8B%95-%E1%8A%A3%E1%88%85%E1%8C%89%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%88%AB%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%A8%E1%88%AD-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8C%85%E1%88%9D%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5841519.html"} {"headline":"ዘተ- ዲጋ ሕዳሰ ኣብ ኪንሻሳ ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ቀጺሉ`ሎ","content":"ዘተ- ዲጋ ሕዳሰ ኣብ ኪንሻሳ ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ቀጺሉ`ሎ:: ኢትዮጵያ :ግብጽን ሱዳንን ኣብቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝሽምገል ዘተ ይሳተፋ`ለዋ። እቲ ኣብ ፈልግ ኒል ዝህነጽ ዘሎ ግዙፍ ዲጋ ንኣዲስ ኣበባ ኣገዳሲ ትካል መመንጨዊ ሓይሊ ኤለክትሪክ ክኸውን ከሎ ንካይሮን ንካርቱምን ድማ ስግኣት ፈጢሩለን ኣሎ። ነቲ ኣብ ኪንሻሳ ዝቐጸለ ስሉሳዊ ዘተ ዝመርሖ ዘሎ- ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረሲደንት ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ፍሊክስ ሺሰከሪ`ዩ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%98%E1%89%B0--%E1%8B%B2%E1%8C%8B-%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%B0-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AA%E1%8A%95%E1%88%BB%E1%88%B3-%E1%8B%B2%E1%88%9E%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%89%B2%E1%8A%AD-%E1%88%AA%E1%8D%93%E1%89%A5%E1%88%8A%E1%8A%AD-%E1%8A%AE%E1%8A%95%E1%8C%8E-%E1%89%80%E1%8C%BA%E1%88%89-%E1%88%8E\/5841496.html"} {"headline":"ተጋሩ ቆልዑን ወለዶምን ምስ ፈተውቶም ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ሰልፊ ኣካይዶም","content":"ኣብ ዋሽንግተን ዲ.ሲን ከባብኣን ዝነብሩ ቈልዑን ወለዶምን ከምኡውን ካልኦት ፈተውቶም ቈልዑን ወለዶምን ቀዳም ኣብ ቅድሚት እቲ ኣብ ዋሽንግተን ዲ.ሲ ዝርከብ ሓወልቲ ኣብራሃም ሊንከንን ሓወልቲ ዲሲን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ዕላማ እቲ ሰልፊ 'ኣብ ትግራይ ይፍጸም ኣሎ ዝብልዎ ጃምላዊ ህልቂት ብፍላይ ከኣ ግፍዒን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ልዕሊ ቈልዑን ኣዴታትን ከምኡውን ጉዳይ እቶም ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕቡራት ሃገራት አዕቁቦም ዝነበሩን ደሃዮም ዝጠፍአ ካብ 15 ስካብ 20 ሽሕ ኤርትራዊያን ስደተኛታትን ንማሕበረሰብ ዓለም ንምቅላዕ' ከምዝኾነ ገሊጾም። እቶም ቆልዑን ወለዶምን ኸምዝገለጽዎ 'ንዝሓለፈ 5 አዋርሕ ኣብ ትግራይ ይካየድ ዘሎ ኣዕናዊ ውግእ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ንዚቝጸሩ ሰባት ቀቲሉ፣ ንልዕሊ 4 ነጥቢ 5 ሚልዮን ህዝብ ተጽባዪ ህጹጽ ሓገዝ ገይሩዎ፣ ን 2 ነጥቢ 2 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ከምዘመዛበለን፣ 62 ሺህ ህዝቢ ናብ ሱዳን ንክስደዱ ከምዘገደደ’ ጠቂሶም። መንግስቲ ኣሜሪካ፣ ሕቡራት ሃገራት፣ ካልኦት መንግስታትን ኣህጉራውያን ውድባትን ብሕልፊ አብ ልዕሊምምሕዳራት ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብዪ አሕመድን መራሒ ኤርትር ፕሪዝደንት ኢሳይያስ አፈወርቂን ስጕምቲ ንክውሰድ፣ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ብወገኑ፣ ንክልቲኦም መራሕቲ ንክኸሶም ድምጾም ኣቃሊሖም። ኣብ ዘረባና፣ ብዛዕባ አብ’ቲ ሰልፊ ዝተላዓሉ ጉዳያት፣ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ካብ ዝርከቡ ኤምባሲታት ኢትዮጵያን ኤርትን ግብረ መልሲ ንምርካብ ሓቲትናዮም ክንድውለልኩም ኢና ኢሎምና። ግን ኣይሰለጠን። እንተሂቦምና ክነቅርበልኩም ኢና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/tegaru-children-and-parents-demonstration-in-washington-dc\/5841499.html"} {"headline":"ህቡብ ድምጻዊ ኣቤል ተስፋዬ(ዘ ዊኬንድ) 1ሚልዮን ዶላር ንኢትዮጵያ ወፍዩ","content":"The Weeknd ተባሂሉ ዝፍለጥ ህቡብ ኢትዮጵያዊ ካናዳዊ ደራፋይ ኣቤል ተስፋዬ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈጥረ ግጭት ዝተጎድኡ ንምሕጋዝ ናይ ሓደ ሚልየን ዶላር ሓገዝ ኣወፍዩ። እቲ ሓገዝ ብመንገዲ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ከምዘወፈዮ`ውን ኣብ ትዊተሩ ገሊጹ`ሎ። ኣርቲስት ኣቤል ተስፋዬ ብዝቕተሉ ዘለዉ ንጹሃን ሰለማውያን ሰባትን ህጻናትን ከምኡ`ውን ብዝፈናቐሉን ዝዓኑ ዘሎን ልበይ ተሰይሩ ብምባል ኣነ ንክልተ ሚልየን ሰባት መግቢ ንምብጻሕ ሓደ ሚልየን ዶላር የወፊ ኣለኹ- ካልኦት ዝኸኣልኩም`ውን ክትሕግዙ እጽውዕ ብምባል ኣብ ትዊተር ሓቢሩ'ሎ። The Weeknd ኣብ ዝሓለፈ ናይ ኣመሪካ ጸወታ ሱፐር ቦውል ቀንዲ ዕዱም ብምዃን ምርኢት ምርኣዩ ታሪኻዊ ይገብሮ::","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BB%E1%8B%8A-%E1%8A%A3%E1%89%A4%E1%88%8D-%E1%89%B0%E1%88%B5%E1%8D%8B%E1%8B%AC(%E1%8B%98-%E1%8B%8A%E1%8A%AC%E1%8A%95%E1%8B%B5)-%E1%8A%95-1%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8B%B6%E1%88%8B%E1%88%AD-%E1%8A%95%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%88%E1%8D%8D%E1%8B%A9-\/5841480.html"} {"headline":"ፍልሰት ኣማእቲ ኣሽሓት ተወለድቲ ትግራይ ካብ ምዕራብ ትግራይ","content":"ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝተጀመረ ናይ ምብራርን ካልኦት በደላትን ብዝገደደ ከምዝቐፀለ ካብ ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ከምዝርከቡ ተመዛበልትን ግዚያዊ ኣማሓዳሪ ዞባ ሰሜን ምዕራብን ገሊፆም።ኣብታ ከተማ ልዕሊ 345,000 ተመዛበልቲ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርትን ፈቐዶ እግሪ ፅላል ኣእዋም ከይተረፈ ኣዕቒቦም ከምዝርከቡን ቪኦኤ ዘዘራርቦም ተመዛበልቲ ሓቢሮም። ብኻሊእ ወገን ካብ ማይ ካድራን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ምዕራብ ትግራይን ንብረቶም ተዘሪፎም ከምዝተባረሩን እቲ ምብራር ብዝገደደ ከምዝቐፀለን ተባሪርና ዝበሉ ንቪኦኤ ገሊፆም።ምስ ካልኦት 93 ሰባት ብፅዕነት ካብ ማይካድራ ናብ ተከዘ ከምዝተባረረት ዝገለፀት ኣደ ቆልዑት ኣብ ተከዘ ሓሙሽተ ወታደራት ኤርትራ ከምዝደፈሩዋ፣ናይ ማህፀን ምግልባጥ ከምዘጋጠማን ኣብ ከቢድ ስቓይ ከምእትርከብን ትገልፅ። ኣቶ ብርሃነ ንርአ ይብሃሉ።ወዲ 65 ዓምተን ኣቦ ሸሞንተ ቆልዑትን መራሒ ዓሰርተ ኣባላት ስድራን እዮም።ካብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ጥቓ ከተማ ሑመራ ካብ ዝርከብ መንበሪኦም ‘’ተባሪሮም’’ ናብ ሽረ እንዳስላሰ ካብ ዝመፁ ሓደ ሰሙን ኮይኑዎም ኣሎ። ተወለድቲ ትግራይ ንዝኾንና ነበርቲ እዚ መሬት ናይ ወልቃይት ኣምሓራ መሬት እዩ እናበሉ መሬትና፣እኽልናን እንስሳትናን ተዘሚትና ተደፊኢና ኢና ወፂና ይብሉ። መን ከምዝዘረፎምን ዝተዘረፉዎ ንብረትን ብዝምልከት ከምዚ ክብሉ ይገልፁ ኣቶ ብርሃነ። ኣቶ ብርሃነ ንርአ ካብኦም ቀዲሞም ናብ ሽረ እናዳስለሰ ዝመፁ ተመዛበልቲ ፈቖዶ ኣብያተ ትምህርትን ማይዳን ከምዝርከቡ፣ካብ ምምዝጋብ ወፃኢ ረድኤት ክወሃብ ከምዘይርኣዩን ካብ መንግስቲ ዝረኸቡዎ ሓገዝ ከምዘየለን ይገልፁ።ሰባት ኣብ ዝለዓለ ጭንቅን ፀገምን ከምዝርከቡ ወሲኾም ገሊፆም። ኣቶ ብርሃነ ካብ ሑመራ ክሃድሙ ከለው ፈቖዶ መንገዲ ናይ ሰብ ሬሳታት እናርኣዩ ከምዝመፁን ንሶም ዝፈልጡዎም ገባራት ከም እኒ ገብረመድህን ዝተብሃሉ ምስ ሰብኣይ ጓሎም ከፍቶም ሒዞም ይሃድሙ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ብወታደራት ኢትዮጵያ ከምዝተቐተሉ ገሊፆም። እቲ ህዝቢ ኣጆኻ በሃሊ የብሉን ዝመፅእ ረድኤት ንህዝቢ ኣይወሃብን ዘሎ ኣበይ ከምዝኣቲ እውን ኣይንፈልጥን ይብሉ ኣቶ ብርሃነ።እቲ ተመዛባሊ ካብ ህዝቢ እንዳስላሰ እናተዋፅአ ዝወሃቦ ሓገዝ እምበር ዝብላዕ፣ዝስተይን ዝድቅሰሉን የብሎምን ኢሎም። ህዝቢ ምዕራብ ንቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ህድማን ጉዕዞን እዩ ዘሎ ዝበሉ ኣቶ ብርሃነ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ብበዝሒ ህዝቢ ዓለቕለቕ ኢላ ኢሎም። 12 ታሕሳስ 2013 ዓ\\ም ካብ እትነብረሉ ማይ ካድራ ብዕጡቓት ኣምሓራ ከምዝተባረረት ትገልፅ ሰናይት ንጉሰ ዝተብሃለት ኣደ።ብዓል ቤታ ኣብ ማይ ካድራ ብዝተፈጥረ ህወከት ብህወይት ይሃሊ ኣይሃሊ ከምዘይትፈልጥን ደቃ ሒዛ ሃዲማ ከምዝወፀትን ትዛረብ። ዕጡቓት ወልቃይትን ኣምሓራን 93 ተወለድቲ ትግራይ ብሲኖ ትራክ ፅዕነት ኣብ ተከዘ ኣስጊሮም ከም ዝደርበዩዎም ትገልፅ።ኣብ ውሽጢ ሓደ ገዛ ንክልተ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝደፈሩወንን ሳልሳሰይቲ ግን HIV ኣለኒ ስለዝበለት ከምዝሰደዱዋ ሰናይት ትገልፅ። ብዛዕባ ዝወረዳ ኣካላዊ ጉድኣት ክትገልፅ ከላ ኣብ እንዳስላሰ ቀይሕ መስቀል ሕክምና ከምዝገበረላ ትገልፅ። ኣብ ማህፀና ብዝወረዳ ጉድኣት ኮፍ ክትብል ከምዘይትኽእልን ማይ ከምዘይትሰትን ብምግላፅ ጠጠው ብምባል ብምምብርካክን ግዚኣ ከም እተሕልፍን ከምዘይትድቅስን ትዛረብ። ዋላ ሓደ ነገር ዘይብሎም ፈቖዶ ኣብያተ ትምህርትን፣ ህፃናት ዝሓዛ፣ፈቖዶ ዝወልዳ ኣዴታት ኣለዋ፤ሎማዕንቲ ዝወለዳ ኣዴታት ኣለዋ ትብል።ዝተጨነቐ ሰብ ኢኻ ትሪኢ፤ኣዚዩ ዘሕዝን እዩ ትግራዋይ ኣዚዩ የሕዝን’’ ክትብል ትገልፅ። ክሳብ ሎሚ ብዘይካ መንፀፊ ካሊእ ዝረኸበቶ ረድኤት ከምዘየለ ትዛረብ ሰናይት።መሬትኩም ኣይኮነን ይብሉና ትብል። ሰናይት ንማሕበረሰብ ዓለም መልእኽቲ ኣለዋ።’'መከራ ወሪዱና ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ኣዕቒብና ንርከብ።ኣዚዩ ብዙሓት ኢና።ዝወረደና ጉድኣት ንምቁፅፃር ዓቕሚ ዝስኣንና ብዙሓት ኢና።መንግስትን ማሕበረሰብ ዓለምን ጠመተ ሂቦም ክሕግዙና ንሓትት ኣለና’’ ክትብል መልእኽታ ኣመሓላሊፋ። ካሊእቲ ካብ ሑመራ ሃዲማ ኣብ ሽረ እንዳስላሰ እትርከብ ጓል 30 ዓመት መንእሰይ ሳራ ኪዳነማሪያም ትብሃል።ንሳ ከተማ ሑመራ በከቢድ ብረት ክትድብደብ ከላ ክልተ ማናቱ ህፃናት ሓዊሱ ሰለስተ ደቃ ሒዛ ሃዲማ ድሕሪ ሰለስተ ማዕልታት ናይ እግሪ ጉዕዞ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ከምዝበፅሐትን ብዓል ቤታ ግን ኣበይ ከምዝኣተወ ከምዘይፈለጠትን ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ግን ናብ ሱዳን ሃዲሙ ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ሓምዳይት ከምዘሎን ብስልኪ ከምዝራኸቡን ትዛረብ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኩነታት ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዘለው ተመዛበልቲ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ እዩ ክትብል ትገልፅ። ‘’ሰባት ዝድቅስሉ የብሎምን፣ቆፅሊ ባህርዛፍ ኣንፂፈን ዝድቅሳ ኣሓትናን ኣዴታትን እየን ዘለዋ።ህፃናት ሒዘን ዝብላዕ የብለንን።ሓደ ሓደ ግዜ ገንዘብ ለሚነ ንሓራሳት ይሕግዘን እየ’’ትብል። ሳራ ሽረ እንዳስላሰ ምስኣተወት ናይ ኢትዮጵያ ፌደራል ሓይልታትን ሰራዊት ኤርትራን ነታ ከተማ ንምቁፅፃር ከቢድ ብረት ክትኩሱ ከለው ናብ እንዳባጉና ቀፂሉ ድማ ናብ ደብረ አባይ ሃዲሞም ብንጣር ከቢድ ብረት ጡባ ቆሲላ ከምዝነበረት ትገልፅ። ኣብ ደብረ ኣባይ ዘስካሕክሕ ቅትለት ከምዝርኣየት ትዝረብ።ምስኣ ካብ ሑመራ ዝሃደሙ ክልተ ሰባትን ሰለስተ ዘይትፈልጦም ሰባትን ሓዊሱ ሓሙሽተ ሰባት ናይ ኤርትራ ወታደራትን ናይ ኢትዮጵያ ወታደራትን ካብ ገዛ ኣውፂኦም ጁንታ እናበሉ ብዘሰቅቕ ኣብ ቅድሜና ረሺኖምዎም ትብል ሳራ። ናብ እንዳስላሰ ካብ እትመፅእ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ከምዝቑፀረት ብምግላፅ ዝተወሰነ ረድኤት እኽሊ ምርካባ ትዛረብ። ናይ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ግዚያዊ ኣማሓዳሪ ዶክተር ቴድሮስ አረጋይ ኣብ እንዳስላሰ ከተማ ተመዛቢሎም ዝርከቡ ኣማእቲ ኣሽሓት ምዃኖም ይገልፁ። ዶክተር ቴድሮስ ኣብዚ ሕዚ ስዓት ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ምዕራብ ትግራይ ከባቢታት እናተመዛበሉ ከምዝመፁን እቶም ተመዛበልቲ ናይ ኣምሓራ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ከምዘባርሩዎም ከምዝገልፁሎም ይሕብሩ። ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ብዞባን ክልልን ደረጃ ናይ ንዘራረብ መልዓሊ ሓሳብ ናብ ጎረቤት ዞባታትን ክልልን ኣምሓራ ደብዳቤ ልኢኽና ክሳብ ሕዚ ምላሽ ኣይሃቡናን ኢሎም ዶክተር ቴድሮስ። ካብ መንግስትን ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት ረድኤትን ብርክት ዝበለ ረድኤት ከምዝመፅእ ብምግላፅ እይኹን እምበር ካብ በዝሒ ስደተኛታትን በብዕለቱ ይውሕዝ ዘሎ ስደተኛን ዝልኣኽ ረድኤት እኹል እዩ ክብሃል ኣይክኣልን ኢሎም። ናይ ሽረ እንዳስላሰ ጎሊሁ ብምርኣዩ እምበር ካብ ባድመን ከባቢኡን ዝተምዛበሉ ልዕሊ 80,000 ኣብ ከተማ ሸራሮ ካብ ፀለምትን ከባቢኡን ዝተመዛበሉ ካልኦ ኣሽሓት ድማ ኣብ እንዳባጉና ስለዘለው ኣብ 13 ወረዳታት ረድኤት ‘’ንምጥዓም’’ ፈቲና ኢና ይብሉ። ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ካብ ዝርከቡ ን131,000 ተመዛበልቲ ንክልተ ኣዋርሕ ቀለብ ምግብን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑን ረድኤት ከምዝሃቡ ገሊፆም ዶክተር ቴድሮስ።ካብ ዘሎ በዝሒ ተመዛበልቲ ዘድሊ ረድኤት ኣቕሪብና ኢና ኢልና ኣይንኣምንን ክብሉ መሊሶም። ዓበይቲ ናይ መፅለሊ ድንኳናት ንምትካል ይስራሕ ከምዘሎ ዝገለፁ ዶክተር ቴድሮስ ዘላቒ ፍታሕ ግን እቶም ተመዛበልቲ ናብ ምዕራብ ትግራይ ክምለሱ ከለው ከምዝኾነን ምፍትሒኡ ድማ ኣብ ኢዶም ስለዘየለ ብፌደራል መንግስቲ ክምለሱ ኣለዎም ኢሎም። ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣስታት 150,000 ሽሕ ህዝቢ ከምዝነብረላ ዝገለፁ ዶክተር ቴድሮስ ኣብዚ ሕዚ ስዓት ግን ካብ ዕፅፊ ንላዕሊ ናብ ፍርቂ ሚሊዮን ህዝቢ ተተኣናግድ ኣላ ኢሎም። ብኣምሓራ መንግስትን ዕጡቓትን ይፍፀሙ ኣለው ብዛዕባ ዝተብሃሉ ናይ ምቕታል፣ወራርን ዕንወትን ንብረት ከምኡ እውን ናይ ምብራር ክስታት ብዝምልከት ካብ ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ ግዛቸው ምሉነህ ሪኢቶ ንምርካብ ንተኸታተልቲ ማዕልታት ዘካይድኩዎ ፃዕሪ ኣይሰለጠን። ይኹን እምበር ኣብ ቀረባ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ምስ ሪፖርተርና ኣስቴር ምስጋናው ኣብ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ንሰባት ብብሄራዊ መንነቶም ናይ ምምዝባል ናይ ኣምሓራ ባህልን ክብርታትን ኣይኮነን እቲ ከባቢ ግን ብስፍሓት ኣምሓራይ ዝነብረሉ ከባቢ እዩ ኢሎም። ወልቃይትን ራያን ከባቢ ብምዕራብ ትግራይ ምስያም እዋናዊ እዩ ዝብል እምነይ የብለይን።እዚ ግዚኡ ዝሓለፎ እዩ።ናይዞም ከባቢታት ሰባት ነፃነቶም ካብ ዝእውጁ ክልተ ሰለተ ኣዋርሕ እናቑፀሩ እዮም።ኣብ ዕረፍቲ ኣለው።ስለዚ በተደጋጋሚ ብዝተፈላለዩ ሚዲያታት ናይ ትግራይ ግዚያዊ ምምሕዳር ናይ ኮሚኒኬሽን ሓላፊት ወይዘሮ እትየነሽ ሂባቶ ዝተብሃለ ምዕራብ ትግራይ ዝብል ድሕሪ ሕዚ እንተኣረሙዎ ዝሓሸ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።ምዕራብ ትግራይ እንተድኣ ኮይኑ ሕዚ ካብ ተከዘ ምላሽ እንተኾይኑ ኣይፈልጥን ይብሉ። ተመዛቢልና ካብዝብሉን ብልፅግና ዝሸሞም ሰበስልጣን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ዝቐርቡ ሕቶታት ኣቶ ግዛቸው ትህነግ ኢሎም ንዝፀውዕዎ ህወሓት ዕድል ክረብ ዝካየድ ናይ ልመና ፃውዒት እዩ ክብሉ ነፂጎምዎ ኣለው ኣቶ ግዛቸው ሙልነህ። ኣብ ቀረባ ሰሙናት ዶባ ኣልቦ ሓካይም ዝተብሃለ ዓለምለኸ ገባሪ ሰናይ ከተማታት ትግራይ ብተመዛበልቲ ተመሊአን ከምዘለዋን ሓገዝ ከምዘድልን ገሊፁ ነይሩ። ሮይተስ እውን ብዛዕባ እዚ ናይ ምዕራብ ትግራይ ምምዝባል ፀብፃብ ኣቕሪቡ እዩ። ሓደ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ መንግስቲ ናይ ውሽጢ ሰነድ ኢትዮጵያ ብሽፋን ኵናት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሚሊሽያ ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ ክፋል ክልል ትግራይ ‘’ስልታዊ ወፍሪ ምፅናት ዘርኢ’’ትፍፅም ኣላ ኢሉ ኣሎ። ኣብ ታሕሳስ ካብ ከተማ ዳንሻ 11 መካይን ኣዴታትን ህፃናትን ተፃዒኖም ኣብ ሩባ ተከዜ ከምዘራገፉዎም ንመሰኻኽር ዓይኒ ብምጥቃስ ቪኦኤ ትግርኛ ፀብፂቡ ነይሩ።ምኽትል ከንቲባ ዳንሻ ዝተባረረ የለን ምባሉ እውን ኣብዚ ፀብፃብ ገሊፅና ነይርና። ወታደራት ኤርትራ ፈፂሞምዎ ብዛዕባ ዝተብሃለ መግሃስቲ ሪኢቶ ንምርካብ ኒው ዮርክ ናብ ዝርከብ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ስልኪ ደዊልና ኣይተልዓለን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/hundreds-of-thousands-of-tigrians-are-expelled-by-the-amhara-armed-groups-said-witnesses\/5838706.html"} {"headline":"ብG7 ዝፍለጥ ጉጅለ ሃብታማት ሃገራት ሰራዊት ኤርትራ ብቅልጡፍ ካብ ትግራይ ክወጽእ ጸዊዑ","content":"\"ሰራዊት ኤርትራ፣ ካብ ትግራይ ብህጹጽን ብዝረጋገጽን አገባብ ንክወጹ\" ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ብG-7 ዝፍለጥ ጉጅለ ሃብታማት ሃገራት ጸዊዖም። ሎሚ ዓርቢ ዓመታዊ አኬበኦም ኣብ በርሊን ዘካየዱ ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ብG-7 ዝፍለጥ ሃብታማት ሃገራት ነዚ መግለጺ’ዚ ዝዘርግሑ፣ ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ’ዚ ቀረባ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ እዮም ድሕሪ ምባሎም እዩ። G-7 (ጉጅለ ሸውዓተ) ኣብ መግለጺኡ፣ ኩሎም ተዋጋእቲ ሓይልታት ኣብ ትግራይ፣ ንሰላማዊያን ሰባት ክከላኸልሎም፣ ሰብኣዊን ዓለምለኻዊ ሕጊታት ንከኽብሩን አተሓሳሲቦም። ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ፣ ካናዳ፣ ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ኢጣልያ፣ ጃፓንን ኣሜሪካን ምስ ላዕለዋይ ኮምሽን ሕብረት ኣውሮጳ፣ ውግእ ኣብ ትግራይ ንከብቅዕ፣ ንተጋሩ ዝሓወሰ ኩሎም ኢትዮጵያዊያን፣ ኣብ ንጹርን ኩሉ ዝሓቁፍ ፖለቲካዊ መስርሕን ንክኣትውን ኣዘኻኺሮም። ‘እቲ መስርሕ’ ይብሉ ንሳቶም \"ናብ ተኣማኒ ምርጫን ሃገራዊ ዕርቂን ንክቅጽል ሓጋዚ እዩ።\" አብ’ዚ ቀረባ ዝተቃልሑ \"መግሃስቲን ግፍዒታትን፣ ግህሰት ዓለምለኸ ሕጊታት ኣብ ትግራይ ከምዘሻቅሎም’ውን\" ኣፍሊጦም ኣለው። \"ቀ\/ሚ አብዪ አሕመድ፣ ሰራዊት ናብ ትግራይ አትዮ ንመራሕቲ ህወሓት ንክሕዙን ዕጥቂ ንከፍትሑን ከምዝኣዘዙ\" ዝጠቅስ እቲ ዜና እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ፌደራል ሰራዊት መጥቃዕቲ ፈጺሙ እዩ ኢሎም ተሓታቲ ከምዝገብሩ’ውን ሓቢሩ። ዲፕሎማሲያዊ ምንጭታት፣ ሰራሕተኛታት ረድኤት፣ ነበርቲን ገለ ኢትዮጵያዊያን ሰበ ስልጣንን ዋላ’ውን ኣለው እንተበሉ፣ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንኣዋርሕ ንህላዌ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ክነጽጉ ከምዝጸንሑ ዝዝከር እዩ’ ይብል። ንሃብታማት ሃገራት ዝሓቆፈ ጉጅለ ሸውዓተ፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምልጋስን ንዝተፈጸሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ንምጽራይን ቅሩባት ኣለና ኢሉ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5g7-%E1%8B%9D%E1%8D%8D%E1%88%88%E1%8C%A5-%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%88%83%E1%89%A5%E1%89%B3%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%A5%E1%89%85%E1%88%8D%E1%8C%A1%E1%8D%8D-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%8B%88%E1%8C%BD%E1%8A%A5-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%91\/5838684.html"} {"headline":"ብሰንኪ መንነቶም ካብ ቤንሻንጉል ዝተመዛበሉ ተወላዶ ኣምሓራ ስግኣት ድሕነት ከምዝስምዖም ገሊጾም","content":"ብሰንኪ መንነቶም ካብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዝተፈናቀሉ ተወላዶ ኣምሓራ ሎሚ’ውን ንከቢድ ስግኣት ድሕነት ተቃሊዖም ከምዝርከቡ ገሊጾም። ኣብ’ቲ ክልል ዝቆመ ኮማንድ ፖስት፣ ምርግጋእ ከምጽእ ከምዘይካኣለ'ውን ሓቢሮም። ዕጡቃት ጉጅለታት ብተረኦም ነቶም ናብ ክልል ኣምሓራ ክንመልስ ኢና ዝብሉ ሰባት፣ ንሓደ ሰብ 3 ሽሕ ቅርሺ፣ ንሓንቲ ማኪና ድማ 17 ሽሕ ቅርሺ የኽፍሎም ከምዘሎ እቲ ዜና ይጠቅስ። ግብረ መልሲ ዝሃቡ አተሓባባሪ ኮማንድ ፖስት’ቲ ክልል ሌተናል ጀነራል አስራት ዴነሮ \"እቲ ኮማንድ ፖስት፣ ነቲ ከባቢ ንምርግጋእ ዝትግብሮም ዘሎ ክልተ ኣገባባት ንከፍርዩ ጊዜ የድልይ እ\"’ ከምዝበሉ ዝረኸብናዮ ሪፖርት ገሊጹ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%90%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%89%A4%E1%8A%95%E1%88%BB%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B6-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%88%B5%E1%8C%8D%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%8B%96%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/5838615.html"} {"headline":"ኦፌኮ: ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዘጋጥም ምጥፋእ ህይወትን ዕንወት ንብረትን ብመንጎኛ አካል ክጻረ ሓቲቱ","content":"አብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝወርድ ዘሎ ናይ ህይወት ምጥፋእ፣ ዕንወት ንብረትን ጸገም ጸጥታን ብሞንጎኛ ኣካል ንክጻረ፣ ፓርቲ ፌደራሊት ኮንግረስ ኦሮሞ ሓቲቱ። አቦ መንበር’ቲ ፓርቲ ዶ\/ር መረራ ጉዲና ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ \"ሞት ዜጋታት፣ ምፍንቃል፣ ጥፍኣት ንብረት’ ብሰፊሑ ይዝረበሉ ኣሎ\"ኢሎም። ነቶም ይፍጸሙ ዘለው ጥፍኣታት ቀንዲ ተሓታቲ መን’ዩ? መበገሲኡ’ከ ዝብሉን ካልኦትን ንምንጻር ኣብ ክንዲ ምክሳስ ናብ ፍታሕ ገጽ ምእታው ኣገዳሲ እዩ ኢሎም። እታ ሃገር ካብ ደገን ካብ ውሽጢን ንዘጋጠማ ብድሆ ንምግጣም ገዛኢ ፓርቲን ተቃወምቲን ተቀራሪቦም ንክመኻኸሩ’ውን ጸዊዖም። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ብወገን መንግስቲ፣ ሓላፊ ሲቪካዊ ውዳበ ፓርቲ ብልጽግና ዶ\/ር ኣለሙ ስሜ \"እቲ ብኦፌኮ ይወርድ ዘሎ ጸገም ብሞንጎኛ ኣካል ክጻረ ኣለዎ ዝብል ጻውዒት፣ መንግስቲ ይሰርሓሉ ኣሎ\" ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A6%E1%8D%8C%E1%8A%AE-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A5%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%8C%A5%E1%8D%8B%E1%8A%A5-%E1%88%85%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%95%E1%8A%95%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8E%E1%8A%9B-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%8A%AD%E1%8C%BB%E1%88%A8-%E1%88%93%E1%89%B2%E1%89%B1\/5838590.html"} {"headline":"ኣብ ክልላት ኦሮምያን ቤንሻንጉልን ብዝተፈጥረ ጸገም ጸጥታ ልዕሊ 800  ተወላዶ ኣምሓራ ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ቤንሻንጉል ጉምዝን ይነብሩ ዝነበሩ ልዕሊ 800 ተወለድቲ ብሄረ ኣምሓራ ኣብቶም ክልላት ብዝተፈጠሩ ናይ ፀጥታ ፀገማት ተመዛቢሎም ናብ ዞባ ደቡብ ወሎ ምኻዶም ናይቲ ዞባ ምክልኻል ሓደጋን ውሕስነት መግብን ኣፍሊጡ። ናይቲ ቤት ፅሕፈት ሓላፊ ኣቶ መሳይ ማሩ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ወለጋን ቤንሻንጉል ጉምዝን ብዘሎ ናይ ፀጥታ ፀገም ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት 827 ተወለድቲ ኣምሓራ ንብረቶም ራሕሪሖም ናብ ደቡብ ወሎ ምኻዶም ገሊፆም። ቅድም ክብል ተላኢኹ ዝነበር መግብን መግቢ ዘይኮኑ ሓገዛትን ንተማዘበልቲ ከምዝተውሃበን ምስ ብዝሒ ናይቶም ተመዛበልቲ እኹል ከምዘይኮነን ገሊፆም። ካብቶም ተመዛበልቲ ዝበዝሑ ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ እውን ብዕድመ ዝደፍኡ ዓበይቲ ከምዝርከብዎም ተሓብሩ'ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%89%B5%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%A4%E1%8A%95%E1%88%BB%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%A8-%E1%8C%B8%E1%8C%88%E1%88%9D-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-800-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B6-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%90%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5837269.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ወረዳ አማሮ ብዝተፈጥረ ናይ ጸጥታ ጸገምን መጥቓዕቲን ሓይልታት ጸጥታ ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ሰባት ምሟቶም ተሓቢሩ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ደቡብ ክልል ኣብ ዝርከቡ ዞባ ኦሞ፣ በንች ሸኮ፣ ጉራፈርዳን ፍሉይ ወረዳ ኣማሮን ብዝተፈጥረ ጸገም ፀጥታን መጥቓዕትታትን ብርክት ዝበሉ ስቪላትን ሓይልታት ፀጥታን ከምዝተቕትሉ ናይቲ ክልል ምኽትል ኣማሓዳሪ ኣቶ ርስቱ ይርዳው ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ሓቢሮም። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ኣብ ወረዳ ጉራፈርዳ 10 ሰባት ኣብ ፍሉይ ወረዳ ኣማሮ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙናት 13 ሰባት ከምዝተቐተሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ይገልጹ። ናይቲ ክልል ምምሕዳር ኣብ መግለፂኦም ኣብዞም ከባቢታት እዚኦም ምርግጋእ ከምዝተፈጥረ ብምግላፅ ሰላም ናብ ንቡር ተመሊሱ ኣሎ ኢሎም።ነበርቲ ግን ንድሕነቶም ከምዝሰግኡ ይዛርቡ። ናይቲ ክልል ሰላም ንምዝራግ ይሰርሑ ዘለው ጉጅለታት ካብ እከይ ግብሮም ክእርነቡ እቶም ምኽትል ኣመሓዳሪ ኣተሓሳሲቦም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B3-%E1%8A%A0%E1%88%9B%E1%88%AE-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%A8-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%8C%B8%E1%8C%88%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%8A%AD%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5837192.html"} {"headline":"ሰነተር ኩንስ ናብ ኢትዮጵያ ዘካየድዎ ምብጻሕ ስዒቡ ዝሃብዎ መግለጺ","content":"ሴነተር ክሪስ ኩንስ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ላዕለዎት ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን ተራኺቦም ምዝታዮም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብቪድዮ ኮንፈረንስ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ሓቢሮም ። ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይገለ ፀገምን ክልከላን ናብ ትግራይ ክባፅሑ ፣ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፈፀሙ ድማ ተሓተቲ ክኾኑ እዮም ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝሃብዎ መግለጺ ዘተባብዕ ምዃኑ ዝሓበሩ ኩንስ ይኹን እምበር እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ቅድም ክብል ዝኣተዉዎም ቃል ከተግብሩ ኣይተራእዩን ክብሉ ስጋኣት ከምዝሓደሮም ገሊፆም ። ከምኡ'ውን ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ፍልይቲ ኣማኻሪት ፕረዚደንት ባይደን ዳና ባንክስ'ውን ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ሐጂ'ውን ከምዘተሓሳሰበን ገሊፀን ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%8A%90%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A9%E1%8A%95%E1%88%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5%E1%8B%8E-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%88%B5%E1%8B%92%E1%89%A1-%E1%8B%9D%E1%88%83%E1%89%A5%E1%8B%8E-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA\/5836879.html"} {"headline":"ኣስመራ:“ዝተፈጥረልና ልቓሕን ዝረኸብናዮ ስልጠናን ኣብ ምእላይ መነባብሮና ሓጊዙና”ኣብ ዝተፈላለየ ሞያ ዝተዋፈራ ደቂ-ኣንስትዮ","content":"“ብሃማደኤ ዝተፈጥረልና ናይ ልቓሕን ስልጠናን ዕድል ካብ ተጸባይነት ወጺእና መነባብሮና ኣብ ምምራሕ ሓጊዙና\" ክብላ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረበን ኣብ ዝተፈላለየ ሞያ ዝተዋፈራ ደቂ-ኣንስትዮ ኣስመራ ተዛሪበን ። “እብ ርእስ’ቲ ዝረኸብናዮ ሓገዝ ፡ናትና ጻዕሪ ተወሲኽዎ ካብ ሰብ ከተጸበና ዝሓሸ መነባብሮ ክንመርሕ፡ ደቅና ከነምህርን ኣብ ዝብጻሕ ከነብጽሖምን ክኢልና” ክብላ ኣብ ስራሕ ማእለማ ዝተዋፈረት ወ\/ሮ ትርሓስ ጴጥሮስን ኣብ ንኡስ ሽቐጥ ዝተዋፈረት ወናኒት ባንኮ(ኪዮስክ) ዝኾነት ወ\/ሮ ታቦቱ ተከለብርሃንን ተዛሪበን። ምሸት ካብ ስራሕ ምስ ተመልሳ ዕዮ ናይ ቤተን ከምዝዓመኦ ዝተዛረባ እዘን ኣብነታውያን ደቂ-ኣንስትዮ፡ ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ’ውን ካብ ተጸባይነት ተናጊፈን ነብሰን ንኽእላ ብዓቕመን ደገ ወጺኤን ክሰርሓ ተመኩሮኦን ብኣብነት ብምጥቃስ መኺረን ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%A8%E1%88%8D%E1%8A%93-%E1%88%8D%E1%89%93%E1%88%95%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%8A%B8%E1%89%A5%E1%8A%93%E1%8B%AE-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A0%E1%8A%93%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%88%8B%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8A%90%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%88%93%E1%8C%8A%E1%8B%99%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A8-%E1%88%9E%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%8B%E1%8D%88%E1%88%AB-%E1%8B%B0%E1%89%82-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AE\/5835784.html"} {"headline":"ኣብ ምዕራብ ወለጋ ንጹሃን ዜጋታት ብዕጡቓት ምቕታሎም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም","content":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ገንቤል ትማሊ ሰሉስ ምሸት ንፁሃን ዜጋታት ብዕጡቓት ከምዝተቐተሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊፆም። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፀጥታን ምምሕዳርን ናይቲ ዞባ እውን 28 ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት 14 ሰባት ድማ ከምዝቖሰሉ ኣረጋጊፆም።ፈፀምቱ ዕጡቓት ኦነግ ሸኔ እዮም ክብሉ እቶም ሓላፊ ገሊፆም። ሓደ ንደሕንነቶም ብምስጋእ ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ነባሪ \"ኦነግ ሸኔ’’ ዝተብሃለ ዕጡቕ ጉጅለ መንነት መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲ ፈፂሙ ኢሎም። \"ትማሊ ምሸት ስዓት ክልተ ኣብ ዓሌት ኣምሓራ ዘተኮረ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ጭፍጨፋ ተፈፂሙ ልዕሊ 50 ሰብ ሞይቱ ኣሎ።መንነት ተኮር ዝኾነ ህጻናትን ዓብይን ኮታስ ዝተረኸበ እዩ ብኦነግ ሸኔ ተቐቲሉ\" ኢሎም። ኣቶ ኣድነው እያሱ ዝተብሃሉ ናይ ዓይኒ ምስክር ምዃኖም ዝገለፁ ብወገኖም በቲ መጥቓዕቲ ካብ መንጎ ዝሞቱ ኣርባዕተ ሎሚ ከምዝተቐበሩ ገሊፆም። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፀጥታን ምምሕዳርን እቲ ዞባ ኣቶ ኣብዩ ምህረቱ ትማሊ ምሸት ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ 28 ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት 14 ምቑሳሎም ብምግላፅ ፈፀምቱ ድማ ዕጡቓት ኣባላት ኦነግ ሸኔ እዮም ኢሎም። \"ኣነ ለይቲ ስዓት ትሽዓተ እየ ሰሚዐ።ምስ ሰማዕና ናብቲ ቦታ ከይደ እየ።እቲ ዝተፍፀመ እውን ኣረጋጊፀ።እቲ ሽግር ወሪዱ ዘሎ ፀረ ሰላም ሓይልታትን ናይቲ ጁንታ ተለኣኣኽቲ ዝኾኑን ‘’ኦነግ ሸኔ’’ ዝፈፀምዎ ምዃኖም ኣረጋጊፀ እየ\" ኢሎም። ነቲ መጥቓዕቲ ካብ መንጎ ዝፍፀሙ ዕጡቓት ሰለስተ ተቐቲሎም ኣለው ኢሎም። ካብ ክልል ኦሮሚያ ርእይቶ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን። ቢሮ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ \"ትማሊ ኣብ ክልል ኦሮሚያ፣ ዞባ ምዕራብ ወለጋ፣ ወረዳ ገንቤል ጣቢያ በቦኔ ኦነግ ሸኔ ብዝወሰዶ ናይ ሽብር መጥቓዕቲ ቁፅሮም ዘይተነፀሩ ሰባት ተቐቲሎም’’ ክብል ኣብ ፌስቡክ ገፁ ፅሒፉ ኣሎ። መንግስቲ \"ኦነግ ሸኔ’' እናበለ ዝፅውዖም ንርእሶም \"ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ’' ኢሎም ዝፅውዑ ደባይ ተዋጋእቲ ኣዛዚ ሰራዊት ዞባ ምዕራብ ኩምሳ ድሪባ ቅድሚ ሎሚ \"መንነት መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲ ኣይንፍፅም\"ምባሉ ይዝከር::","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8C%8B-%E1%8A%95%E1%8C%B9%E1%88%83%E1%8A%95-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%B3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%93%E1%8B%AD%E1%8A%92-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%8A%BB%E1%8A%BD%E1%88%AD-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/5835755.html"} {"headline":"ክልተ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ኣብ ትግራይ ዘሎ ውግእ ከምዘሻቀሎም ገሊጾም","content":"ኣቦ መንበር ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ግሪጎርይ ሚክን መሳርሕቶም ሚካኤል ማኩዋልን፣ ናብ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብልንክን፣ ትማሊ ሰሉስ ሓደ ሓባራዊ ደብዳቤ ልኢኾም ኣለው። ትሕዝቶ እቲ ደብዳቤ \"ኣብ ትግራይ ቀጺሉ ዘሎ ውግእ እናሓደረ የሻቅሎም ከምዘሎ\" ዝገልጽ እዩ። በቲ ኣብ ትግራይ ይቅጽል ዘሎ ውግእ ኣዚና ተሻቂልና ኣለና። እቲ እናወሰኸ ይመጽእ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው፣ ንኣማኢት ኣሻሓት ሰባት ኣፈናቂሉ፣ ልዕሊ 4 ሚልዮን ህዝቢ ድማ ተጸበይቲ ሰብኣዊ ሓገዛት ገይርዎም ኣሎ። እቶም ክልተ ኣባላት ቤት ምኽሪ \"ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት፣ ንጾታዊ ምድፋር፣ መግረፍቲ፣ ኣስገዳድ ምፍንቃልን ምስዋርን፣ ተግባር ምጽራይ ዘርኢ፣ ከየጻረኻ ምቅታል፣ ዘረፋ፣ ዕንወት ትካላት ሕክምናን ንትካላት ረድኤት ዝግበረሎም ዘሎ ደረት ምንቅስቃስ ሓዊሱ ዝተፈጸሙ ግፍዒታትን መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላትን ብጽኑዕ ንኹንን\" ይብሉ ። ብመሰረት’ዚ፣ ምምሕዳር ኣሜሪካ፣ ንእገዳታት ሓዊሱ ንዘለዎ ኩሎም ዓቅሚታት ተጠቂሙ፣ ንፈጸምቲ’ቲ ግፍዒን ገሃስቲ መሰላትን ንክሕተቱን እቲ ቅልውላው ንከብቅዕን ንክዓዪይ ጸዊዖም። ኣብ’ቲ ውግእ ይዋስኡ ዘለው፣ ሰራዊት ህወሓት፣ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ወትሃደራት ኤርትራን ካልኦት ዕጡቃትን፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ግፍዒ ፈጺሞም እዮም ተባሂሎም ይጥቀሱ። ኣብ’ዚ ቀረባ መዓልታት፣ ኣብ ትግራይ ኣትዮም ዓሚቅ ጸብጻብ ምፍናው ተማሕይሹ ኣሎ። ናጻ፣ ዓለምለኻዊን መስርሕ ምጽራይ ኣብ ልዕሊ’ቶም ዝተፈጸሙ ግፍዒታት ምክያድ ኣገዳሲ እዩ። ንኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ትካላት፣ ኣብ ህዝቢ ኣኽሱም ዝተፈጸመ ግፍዒ ገሊጾም እዮም። ቀ\/ሚ ኣብዪ ንህላዌ ሰራዊት ኤርትራ ኣሚኖም፣ ገበን ዝፈጸሙ ከምዝሕተቱ’ውን ኣነጺሮም። ምምሕዳር ኣሜሪካ፣ ንተኣማኒ ምንጭታት ክከታተልን ኣብ ልዕሊ ፈጸምቱ እገዳ ንከንብርን ንጽውዕ። ሓደ ነገር ንጹር እዩ። ውግእ ናይ ትግራይ ወትሃደራዊ ፍታሕ ኣይረክብን። ኣብ’ዚ ቀረባ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዶባት ኢትዮጵያ ከምዝወጹ ብአዲስ አበባን አስመራን ብዝተዋሃበ መግለጺ ተተባቢዕና ኢና። ስለዚ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ መሊኦም ምውጸኦም ብህጹጽ ንከረጋገጽ ድማ ንጽውዕ። ብተወሳኺ፣ ኩሎም ወገናት ብምቁራጽ ተጻብኦ ንክቅየዱን ናብ መኣዲ ኩሉ ሓቆፍ ልዝብ ንክኣትውን ነተሓሳስብ። ውግእ ናይ ትግራይን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ዘለው ግጭታት ዘይምፍታሕ ማለት፣ ዘርኣዊ ውጥረት ከንህር እዩ፣ ቁጠባዊን ኩነታት ውሕስና መግቢ ከጋድድ፣ ተኣማኒን ኩሉ ሓቆፍ መረጻ ንከይህሉ ዓንቃፊን ንሙሉእ እቲ ዞባ ክህውኽን ተኽእሎ ኣለዎ። ኣቦ መንበር ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ግሪጎርይ ሚክን መሳርሕቶም ሚካኤል ማኩዋልን ናብ ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ አንተንይ ብልንክን ዝላኣኽዎ ጽሑፍ \"ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ኢትዮጵያ ንዝጸንሐ ክልተኣዊ ርክብ ዘለና ተገዳስነት ኣብ ቦትኡ ከሎ፣ እቲ ይካየድ ዘሎ ውግእ ግና፣ ንሓባራዊ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊን ጸጥታዊን ርክባትን ከተዓናቅፎ እዩ። ምስ ዞባዊን ዓለምለኻዊ መሻርኽትና ዘሎ ጽምዶታት እናናኣድና፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተሓታታይነት፣ ዴሞክራሲን ልዕልና ሕጊን ንምርግጋጽ ምስ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ብቀረባ ተሓባቢርና ክንሰርሕ ኢና\" ይብል ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8B%8D%E1%8C%8D%E1%8A%A5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%BB%E1%89%80%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D-\/5835606.html"} {"headline":"ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ሰላማዊ:ድሕነቱ ዝተሓለወን ተኣማኒን ክኸውን ዝሕግዝ ኮሚቴ ምጥያሱ ተገሊጹ","content":"ናይ 2013ዓ\\ም ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ሰላማዊ፣ ደሕንነቱ ዝተሓለወ ከምኡ'ውን ተኣማኒ ክኸውን ዝሕግዝ ካብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ኣካላት ዝተዋፅአ ሃገርለኸ ኮሚቴ ምርጫ ምጥያሹ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ገዱ እናዳርጋቸው ኣፍሊጦም። እቲ ኮሚቴ ዕለታዊ ምልውዋጥ ሓበሬታ እናካየደ ዝናበብ እዩ ዝበሉ ኣቶ ገዱ እናዳርጋቸው ስርሑ ምጅማሩ'ውን ሓቢሮም። ኣቶ ገዱ እንዳርጋቸው ነዚ ዝገለፁ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ እዩ። ብዝተታሓሓዘ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምስ ምርጫ ተኣሳሲሩ ዝንቀሳቐሱ ስቪክ ማሕበራት ብሰንኪ ሕፀረት በጀት ስራሕ ክሰርሑ ከምዘይከአሉ ገሊፆም። ናይ ቦርድ ምርጫ መዐቀኒ ረቛሒታት ኣማሊኦም ከምዝተመረፁ ዝገለፁ እዞም ማሕበራት ቅድሚ እቲ ምርጫ ብዛዕባ ምርጫ ኣስተምህሮ ንምሃብ ኣብ መዓልቲ ምርጫ ድማ ናይ ምርጫ ተዓዘብቲ ኮይኖም ንምስራሕ ይንቀሳቐሱ ከምዝነበሩ ብምግላፅ ሕጂ ግን ስርሖም ደው ከምዘበሉ ሓቢሮም። ካብ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ርእይቶ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8A-%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B1-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%88%E1%8B%88%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8A%A3%E1%88%9B%E1%8A%92%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%8A%B8%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%95%E1%8C%8D%E1%8B%9D-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B4-%E1%88%9D%E1%8C%A5%E1%8B%AB%E1%88%B1-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5835691.html"} {"headline":"ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ካልኦት ሃገራትን ዘንበሮ እገዳ ብዓይኒ ተንታኒ","content":"ኣውሮጳዊ ሕብረት አብ ልዕሊ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ መራሕቲን ውልቀ ሰባትን ዝሓለፈ ቅነ እገዳ ከምዘንበረ ዝዝከር እዩ። ካብ ሞንጎ’ዞም ወገናት’ዚኣቶም ወትሃደራዊ ጀነራል ሰራዊት ኤርትራ ሓደ እዩ። አውሮጳዊ ሕብረት ኣብ’ዚ ቀረባ ዝወሰኖ እገዳ፣ ንሕቶታት ሰብኣዊ መሰላት፣ ልዕልና ሕጊን ኣብ ልዕሊ ዴሞክራሲ ዘንጸላልው ሓደጋ ኣብ ግምት ብምእታው ዝተሰረተ ከምዝኾነ ኣብ ለንደን ኢንግላንድ ንትካል ሕጊ ፒተርን ፒተርን ዝነጥፍ ማይክል ኦኬን ይዛረብ። ንአብነት ይብል ንሱ 'ንኣብነት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተነበረ እገዳ ብሰንኪ ኡክረይንን ክሪምያን ዝተነበረ እገዳ ከምዝኾነ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ንኣብነት ኣብ ልዕሊ ዚምባብዌ፣ ኤርትራ፣ ደቡብ ሱዳንን ሊብያን ካብ’ቶም ዝተጠቀሱ ጠንቂታት ብሓደ ወይ ክልተ መበገሲ ውሳነ እገዳ ሕብረት አውሮጳ ከምዝተነበረ' ይጠቅስ። ‘ብመንጽር ኣውሮጵያዊ ሕብረት ንእገዳ ዝሕዘሉ ኣገባብ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ዝኾነ ነገር፣ ዝገርም ነገር እዩ። እቲ ዝተነበረ እገዳ ኣብ ልዕሊ ሃገራት መሰረቱ፣ ባህርያት እቶም መንግስታት ንምእራም ዝዓለመ እዩ። ውልቀሰባት’ውን እንተኾኑ፣ ዕላማ እቲ እገዳ፣ እቶም ውልቀሰባት ተግባሮም ንክገትእዎ ዘገድድ እዩ’ ይብል። እዚ ከምዚሉ ከሎ 'መሰረት-ኣልቦን ዘይቅድውን ውሳነ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ትሕቲ ዝብል አርእስቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘውጸኦ ግብረ መልሲ ንውሳነ እገዳ ኣውሮጳዊ ሕብረት ‘ኤርትራ፣ ባይቶ ሚኒስተራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ንዘሕለፎ መሰረት-ኣልቦን ዓንቃጽን ውሳነ፣ ብትሪ ነጺጋቶ’ላ’ ይብል። እቲ መግለጺ ወሲኹ ‘ኣብ’ቲ “ገታኢ ስጒምቲታት ንጒሉሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት” ዝብል ስያመ ዝተዋህቦ ውሳነ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፣ በዚ እኩይ ተግባሩ ብፍሉይ ንቤት-ጽሕፈት ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ’ዩ ዒላማ ከምዝገበረ’ ይጠቅስ። ‘ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ነቲ ውሳነ’ት ከሕልፍ ሕጋዊ ይኹን ሞራላዊ መዝነት የብሉን። ዝተፈብረኸ ክስታት’ውን፣ መንቀሊኡን ተልእኾኡን ካልእ ሕቡእ ዕላማታትን ኣጀንዳታትን እዩ’ ከምዝበለ ዝዝከር እዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/eu-eritrea-south-sudan-zimbabwe-russia-sanction\/5835672.html"} {"headline":"ኣውስትራልያ: ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕ\/ሃ ኢትዮጵያን ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጺሙ ንዝተባህለ ግህሰት ብሓባር መርመራ ከካይዱ ምስምማዖም ከምዘሓጎሳ ገሊጻ","content":"ኣውስትራሊያ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈፀመ ግፍዒ ብዝምልከት ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ብሓባር ክምርምርዎ ዝተወሰነ ውሳነ ብሓጎስ ተቐቢላቶ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣውስትራሊያ ሎሚ ሶሉስ ዘውጽዖ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ 26 መጋቢት,2021 ኤርትራ ወታሃደራታ ካብ ኢትዮጵያ ክተውፅእ እያ ኢሎም ምእዋጆም ኣገዳሲ ስጉምቲ እዩ ይብል ። ይኹን እምበር ፈፀምቲ ናይቲ ግፍዒ ክሕተቱን እቲ ህውከት ከብቅዕን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ንፅውዕ ይብል። ኣውስትራሊያ ብቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ዝወፀ ሓዊሱ ስልታዊ ወሲባዊ መጥቓዕቲ ወሲኹ ኣብ ትግራይ ብዝተፈፀመ ዘስካሕክሕ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝለዓለ ሻቖሎታ ገሊፃ ኣላ። ሓለፍቲ ኤጀንሲታት ሕቡራት መንግስታት ንኩሎም ፆታዊ መጥቓዕቲ ብምኹናንን ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ስጉምቲ ክውሰድ 22 መጋቢት ንዘውፅኡዎ ሓባራዊ መግለፂ ብፅኑዕ ትድግፍ ይብል እቲ መግለፂ። ኣውስትራሊያ ድልየት ንሓደጋ ዝተቓልዑ ንምምላእ ሰለስተ ሚሊዮን ዶላር ንፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣወፊያ ኣላ።እቲ መግለፂ ኣብ ክልል ትግራይ ቕልጡፍን ክፉትን ሰብኣዊ ተበፃሕነት ክህልው ንፅውዕ ይብል ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%88%8D%E1%8B%AB-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%99-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%88-%E1%8C%8D%E1%88%85%E1%88%B0%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%93%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8A%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9B%E1%8B%96%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%93%E1%8C%8E%E1%88%B3-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BB\/5834272.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ ኣክሱም ተፈጺሙ ዝተባህለ ግህሰት ንምዝካር ካብ ገዛ ዘይምውጻእ ኣድማ ምክያዱ ተሓቢሩ","content":"ኣብ ከተማ ኣክሱም ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ተፈፂሙ ዝተባህለ ቅትለት ንምዝካር ኣብታ ከተማ ካብ ገዛ ናይ ዘይምውፃእ ተቓውሞ ተኻይዱ። ኣብቲ ተቓውሞ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምዃን ኣብ ክልል ትግራይ ተፈፂሙ ንዝተብሃለ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ንምፅራይ ዘይሻራዊ ኣይኮነን ብምባል ተቓውዊሞም። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ ዝሰርሖም ስራሓቲ ዘይሻራዊን ተኣማንን ምዃኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዘካየዶም ምርመራታት የመላኽቱ ዝብል ምላሽ ሂቡ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%A3%E1%8A%AD%E1%88%B1%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%99-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%88-%E1%8C%8D%E1%88%85%E1%88%B0%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%88%AD-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8C%88%E1%8B%9B-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%8C%BB%E1%8A%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%B5%E1%88%9B-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8B%AB%E1%8B%B1-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5834246.html"} {"headline":"ኣብ ሰለስተ ዞባታት ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ሕዙእ ናይ ተፈጥሮ ዱር ባርዕ ሓዊ ምግጣሙ ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ኣብ ሰለስተ ዞባታት ኣብ ዝርከቡ ሕዙእናይ ተፈጥሮ ዱር ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ከምዘጋጠመ በዓል ስልጣን ዱር እንስሳት ናይቲ ክልል ኣፍሊጡ። በቲ ባርዕ ሓዊ ልዕሊ 1,100 ሄክታር ሕዛእቲ መሬት ጉድኣት ወሪዱዎ ኣሎ። መንቀሊ ናይቲ ሓዊ ይምርመር እንተሃለወ እውን ሰብ ዝሰርሖ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ጥርጣረ ኣሎ። ባርዕ ዝተላዓለሉ ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ፣ዞባ ደቡብ ወሎን ኣብ ሰሜን ጎንደርን ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5834208.html"} {"headline":"ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ንዋንጫ ኣፍሪቃ ሓሊፋ","content":"ሃገራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ድሕሪ ሸሞንተ ዓመታት ዳግም ንዋንጫ ኣፍሪቃ ሓሊፋ። ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ሎሚ ሶሉስ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኣይቨሪኮስት ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ ሰለስተ ንሓደ እንተተዓወት'ውን እውን ማዳጋስካር ምስ ኒጀር ባዶ ንባዶ ብምፍልላየን ኢትዮጵያ ብሓፈሻዊ ነጥቢ ካብ ምድባ ካልኣይ ብምውፃእ ሓሊፋ ኣላ። ማእኸላይ ዳኛ ነቲ ፀዋታ እናመርሑ ከለው ኣብ መንጎ ብምውዳቖም ናብ ሆስፒታል እንተተወሰ'ዃ ጸወታ ግን ኣይተቋረጸን። ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ናብ ዋንጫ ኣፍሪቃ ምሕላፋ ስዒቡ ህዝቢ ናብ ጎደናታት ከተማ አዲስ አበባ ብምውጻእ ታሕጓሱ ገሊፁ ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዘሕለፉ ናይ ታሕጓስ መግለፂ እንተድኣ ተሰሪሑ ዘይምፅእ ለውጢ የለን ኢሎም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8C%8B%E1%8A%95%E1%89%B3-%E1%8A%A9%E1%8B%95%E1%88%B6-%E1%8A%A5%E1%8C%8D%E1%88%AA-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8B%8B%E1%8A%95%E1%8C%AB-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%88%93%E1%88%8A%E1%8D%8B-\/5834169.html"} {"headline":"ንኣቶ ስብሓት ነጋን ምስኦም ሓቢሮም ዝተኣሰሩን ዝርከብሉ ኩነታት ዝዳህሰሰ መደብ","content":"አብ ትግራይ ዝዓስከረ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ፈጺሞም፣ ሃገር ናይ ምፍራስ ውዲት ተሊሞም ተንቀሳቂሶምን ክሕደት ሃገር ፈጺሞምን ካብ ሞንጎ ተባሂሎም ብፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሞንጎ ተኸሲሶም ዝተኣሰሩ ገሊኦም ኣብ አዲሳበባ ይርከቡ። እቶም በዝሖም 41 ዝኾኑ ፖለቲካዊን ወትሃደራዊን መራሕቲ ከምኡውን ካብ ስራሕ ዝተሰናበቱን ኣባላት መሪሕነት ገዛኢ ፓርቲ ትግራይ ዝነበረ ህወሓት ጥርጡራት፣ ኣብ ‘ቀዳሚ መርመራ’ ዝባሃል መስርሕ ሙግት ቤት ፍርዲ እዮም ዝርከቡ። እቶም ‘ጥርጡራት’ ምስ ጠበቃታቶምን ቤተሰቦምን ከምዝራኸቡ፣ ከም ኣቶ ስብሓት ነጋ ዝኣምሰሉ ብዕድመ ዝደፍኡ፣ ከም ኣምባሳደር ኣባይ ወልዱ ዝበሉ ድማ ጸገም ጥዕና ዘለዎምን ዕለታዊ ክንክን ዘድልዮምን እሱራት ከምዝኾኑን ሓደ ካብ’ቶም ሸሞንተ ጠበቃታት እቶም እሱራት ዝኾነ ኣቶ ታደለ ገ\/መድህን ንቪኦኤ ገሊጹ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/sibhat-nega-tplf-former-lleaders-arrested-court-tadele-gebremedhin-lawyer-ethiopia-\/5833689.html"} {"headline":"ርእይቶ ኣብ ከተማ መቐለ ተዓቑቦም ዘለው ተመዛበልቲ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ብምኽንያት ኩናት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ መቀለ ቤ\/ትምህርቲ ቅሳነት ተዓቂቦም ካብ ሞንጎ ዘለው ገሊኦም ብዛዕባ ዘጋጠሞም ፈተና ሎሚ ዘለውዎ ኩነታት፣ ህዝቢ'ታ ከተማ ዝገብረሎም ዘሎ ሓገዝን ጠሚቱ ዝተዳለወ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%89%91%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%8D%E1%89%B2\/5832893.html"} {"headline":"ኤርትራ: ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስኮሮና ተቋሪጹ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ብከፊል ጀሚሩ","content":"ኣብ ኤርትራ ብምኽንያት ስግኣት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፡ ኣብ 2020 ተቋሪጹ ዝነበረ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣውቶቡሳት ሎሚ 29 መጋቢት,2021 ብከፊል ጀሚሩ። እቲ ሎሚ ሰኑይ ዝጀመረ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ካብን ናብን ኣብ ውሽጢ ከተማ ኣስመራን ኣብ ካልኦት ዝተመርጻ ከተማታትን ዓድታትን ዝወሃብ ኣገልግሎት ኮይኑ ብውሱን ዓቕሚ ንፈተነ ዝተጀመረ ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ። ቤ\/ጽ ህዝባዊ መጓዓዝያ ዞባ ማእከል ንተገልገልቲ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ጽሑፍ ሓበሬታ ከምዝሓበሮ ፡ሎሚ ዝጀመረ ኣገልግሎት መጓዓዝያ መስመራት ንውሽጢ ከተማ ኣስመራን ከባቢ ዓድታትን ዝወሃብ ከምዝኾነ ብምጥቃስ እተን ኣውቶቡሳት ከተማ ፡ኣብ መንጎ ደው ከይበላ ካብን ናብን መበገስን መወዳእታን ፌርማታታት ጥራይ ኣገልግሎት ከምዝህባ ኣፍሊጡ’ሎ።እቲ ዝወሃብ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ካብ ንግሆ ሰዓት 6 ክሳብ ሰዓት 7 ምሽት ከምዝኾነ ዝሓበረ ቤ\/ጽ ህዝባዊ መጓዓዝያ ዞባ ማእከል፡ብሚኒስትሪ ጥዕና ዝወጽኡ መምርሒታት ኮቪድ-19 ዘየማልአ ተገልጋላይ ኣገልግሎት ከምዘይረክብ ኣፍሊጡ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኤርትራ ምስ ዳግማይ ምጅማር ትምህርቲ ተርእዮታት ብዝሒ ብሽክለታታት ኣብ ጎደናታት ክህሉ ስለዝኽእል ሓደጋታት ንምውጋድ ኩሉ ሕግታት ትራፊክ ብምልኣት ክትግበርን ቁጽጽር ክግበረሉን ኣተሓሳሲቡ’ዩ። ተማሃሮ፡መማህራን፡ወለድን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ብሚኒስትሪ ጥዕና ዝወጽኡ መምርሒታትን ቅጥዕታትን ንምክልኻል ኮቪድ-19 ብዕቱብን ብጥብቅን ክከታተልዎምን ከተግብርዎምን ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ መግለጺኡ ወሲኹ ኣተሓሳሲቡ’ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%88%88%E1%89%A0%E1%8B%B3-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%89%B0%E1%89%8B%E1%88%AA%E1%8C%B9-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%90-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8C%93%E1%8B%93%E1%8B%9D%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8A%A8%E1%8D%8A%E1%88%8D-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9\/5832876.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ዝርግሓ ቫይረስኮሮና ንምክልካል ዝወጸ መምርሒ ብኣስገዳድ ተግባራዊ ከምዝኸውን ተገሊጹ","content":"ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ለበዳ ኮቪድ19 ንምክልኻል 25 መስከረም 2013 ዓ\\ም ዝወፀ መምርሒ ካብ 20 መጋቢት 2013 ዓ\\ም ጀሚሩ ብኣስገዳድ ኣብ ግብሪ ክውዕል እዩ ክብል ኣተሓሳሲቡ። ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣቶ ኣወል ሱልጣን እቲ መምርሒ ሓዱሽ ኣይኮነን:እቲ ሕብረተሰብ ብሸለልትነት ነቲ ቫይረስ ይቓላዕ ብምህላው ሕጂ ግን ብአስገዳድ ኣብ ግብሪ ክውዕል እዩ ኢሎም። እቲ መምርሒ ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፍኒ ማስክ ምግባር፣ምርሕሓቕ፣ምጥቃም ሳኒታይዘርን ካልኦት ዝሓወሰ ኮይኑ መርዓ፣ሓዘንን ተመሳሰልትን ፕሮግራማት ትሕቲ ሓምሳ ሰባት ክኸውን እቲ ዓቃቢ ሕጊ ገሊፁ ኣሎ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%88%93-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%8C%B8-%E1%88%98%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%92-%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%8C%88%E1%8B%B3%E1%8B%B5-%E1%89%B0%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%B8%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5832851.html"} {"headline":"ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ተወለዲ ትግራይ ካብ መንበሪኦም ይስገጉ ከምዘለው ተገሊጹ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ተዓወቲ ኢሉ ድሕሪ ምእዋጁ ድሕሪ ኣዋርሕብዓሰርተታት ኣሽሓት ተወለድቲ ትግራይ ካብ መንበሪኦም ይስጎጉ ከምዘለው ተፈሊጡ። ብመሰረት ብርክት ዝበሉ ምንጭታት እዚ ሓዱሽ ፍልሰት ዕጡቓት ምልሻ ክልል ኣምሓራ ንዓሰርተታት ዓመታት ከሰሓሕብ ኣብ ዝፀንሐ መሬት ንምስፋር ብዘለዎም ድልየት እዩ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%8B%93%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%BD%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%91%E1%8C%B8%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8B%B2-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%88%AA%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8B%AD%E1%88%B5%E1%8C%88%E1%8C%89-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5832839.html"} {"headline":"ብልጽግና ፓርቲ ክልል ኣምሓራ ምድላዋት ምርጫ ምዝዛሙ ገሊጹ: ኣብ ክልል ዓፋር ንመስርሕ ምርጫ ዝምልከት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻይዱ","content":"ብልፅግና ፓርቲ ክልል ኣምሓራ ሎሚ ዓመት ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ንምስታፍ ምድላዋቱ ወዲኡ: ጎስጓስ ወፍሪ ምርጫ ትማሊ ወግዓዊ ገይሩ። እቲ ፓርቲ ፕሮግራሙን ናይ ምርጫ መልእኽትታቱን ከምኡ እውን ንቤት ምክሪ ክልልን ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢን ዘቕረቦም ሕጹያት ንህዝቢ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ። ኣብ ቀንዲ ከተማታት ደብረ ማርቆስ፣ ደሴ፣ ጎንደን ባህርዳርን ብዝተፈላለዩ ስነስርዓት ዝተዓጀቡ ወፍሪ ምርጫ ናይ ምጅማር ፕሮግራም ተኻይዱ ኣሎ ። ብኻልእ ወገን ኣብ ክልል ሶማሌ ዞባ ሲቲ ቦርድ ምርጫ ኣብ ሸሞንተ ጣቢያታት ኣብ ዝርከቡ ሰላሳ ናይ ምርጫ ማእኸላት ምርጫ ንዘይምክያድ ዘሕለፎ ውሳነ ብምቅዋም ሰልፊ ተኻይዱ። ናይ ኢሳ ጎሳ ኡጋዛዊ ቤት ምኽርን ዓበይቲ ዓዲ እቲ ከባቢን ነቲ ውሳነ ኮኒኖምዎ ኣለው። ኣብ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን ሶሊያና ሽመልስ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ ምልልስ እቲ ውሳነ ከይዲ ናይቲ ምርጫ መንቀሊ ግጭት ከይኸውን ንምክልኻል እምበር ሸሞንተ ጣቢታት ንዓፋር ወይ ንሶማሌ ዝግብኡ እዮም ንምባል ኣይኮነን ምባላ ይዝከር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%8C%BD%E1%8C%8D%E1%8A%93-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%8B%E1%8B%8B%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8B%9B%E1%88%99-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%88%9E-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/5832741.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ካብ ኢትዮጵያ ንምውጻእ ተሰማሚዑ ክብሉ ኣፍሊጦም","content":"መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ካብ ኢትዮጵያ ንምውፃእ ተሰማሚዑ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብ ኣስመራ ኣብዘካየድዎ ዝርርብ ኣብ ክልትኣዊ ጉዳያት እውን ኣብ ስምምዕ ምብፅሖም ተገሊፁ ኣሎ። ትማሊ ናብ ኣስመራ ዝገሹ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘካየዱዎ ዝርርብ ውፅኢቱ ዕላዊ ዝገበሩ ሎሚ'ዩ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ካብ ዶብ ኢትዮጵያ ንምውፃእ ተሰማሚዑ ኣሎ።ሃገራዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሽዑ ንሽዑ ተኪኡ ንከባቢታት ዶብ ክሕልው እዩ ኢሎም ኣለው። ኣሜሪካ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ መንግስታትን ዓለምለኸ ትካላትን ነዚ ናይ ኤርትራ ወታሃደራት ካብ ኢትዮጵያ ምውፃእ ክሓቱ ፀኒሖም እዮም።ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብዚ ቅኒያት ናብ ኢትዮጵያ ዝለኣኹዎም ልኡኽ ሰኔተር ክሪስ ኩንስ ካብ ዝተዘራረቡሎም ጉዳያት ሓደ ናይ ኤርትራ ወታሃደራት ምውፃእ ከምዝኾነይዝከር። ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ናይ ኣስመራ መገሻ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ጉዳያት እውን ኣብ ስምምዕ ከምዝተበፅሐ ተሓቢሩ ኣሎ።ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ሓቢሮምዎ ካብ ዝተጉዓዙ ኣባል ልኡኽ ሓደ ዝኾኑ ሚኒስትር ምህዞን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣብርሃ እቲ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ኣስመራ ዑደት ውጽኢታዊ ነይሩ ኢሎምዎ። ሰራዊት ኤርትራ ካብ መዓዝ ጀሚሩ ከምዝወፅእ ግን ኣብ መግለፂ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣይተጠቐሰን።ናይ ኢትዮጵያ ሚኒስትር ምክልኻል ዶክተር ቀንኣ ያዴታ ናብ ኣስመራ ካብ መንጎ ዝገሹ ኣባል ልኡኽ ሓደ እዮም። ብዛዕባ እዚ ምውፃእ ሰራዊት ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝተሰምዐ ነገር የለን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B1-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%8D%83%E1%8A%A5-%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%88%9B%E1%88%9A%E1%8B%91-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A6%E1%88%9D\/5829922.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣሜሪካ ንዝቐረበ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ጻዉዒት ምንጻጉ ተገሊጹ","content":"ልኡኽ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ናብ ኢትዮጵያ ክሪስ ኩን ‘ኣብ ክልል ትግራይ ተኹሲ ደው ምባል ክእውጁ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዘቅረብዎ ለበዋ ተቀባልነት ከምዘይረኸበ\" ተፈሊጡ። ሴነተር ክሪስ ኩን \"ባዕላዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ንክትግበር ከምኡውን ብዛዕባ ቀጻሊ ፖለቲካዊ ቅርጺ ትግራይ ብቅልጡፍ ልዝብ ንክካየድ ደፊኤ ነይረ ግን ቀ\/ሚ አብዪ ኣይተቀበሎን\" ኢሎም። ኣብ’ቲ ውግእ፣ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተቀቲሎም፣ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ድማ ካብ መነባብርኦም ተፈናቂሎም እዮም። ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤት ከምዝገልጽዎ ናብ ሱዳን ዝተሰደዱን ኣብ ውሽጢ’ታ ሃገር ዝተፈናቀሉን፣ ማሲኖምን ተሰናቢዶምን፣ እታ ኣብ ዝባኖም ዘላ ክዳን ጥራሕ ለቢሶም ይራኣዩ’። ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ’ውን ተደፊረን እየን። 'ውግእ ኣብ ትግራይ’ ምምሕዳር ባይደን ‘ዝስዕቦ ፖሊሲ ወጻኢ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ቆላሕታ ዝገብር እንተኾይኑ ዝብዳሃሉ ክስተት’ ኮይኑ ኣሎ። ሴነተር ኩን ኣብ ዘረበኦም \"ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ንሓሙሽተ ሰዓታት ከምዝተዘራረቡ\" ጠቂሶም ኣለው። ብዘይካ'ዚ፣ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያዊያን ሰበ ስልጣን፣ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ዘይመንግስታዊ ትካላትን ማሕበረ ሰብ ዲፕሎማሲን ከምዝተራኸቡ’ውን ተሓቢሩ'ሎ። ኣሜሪካዊ ሴነተር ክሪስ ኩንስ \"ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ፣ ካበየናይ ወገን ምኳኑ ብዘየገድስ፣ ፈጻሚ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነ ኣባል ሰራዊት ክሕተትሉ እዩ\" ምባሉ ሰናይ ኣባሃህላ ክብሉ ተቀቢሎምዎ። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ኣብ ትግራይ ንስራሕቲ ሰብኣዊ ሓገዛት ወፊራ ዝነበረት ኣተሓባባሪት ሕቡራት ሃገራት ዋፋ ሳዒድ ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቅረበቶ ሪፖርት \"ጉዳያት ሓለዋ ቀዳምነት ክስራዕ ዘለዎ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ\" ኢላ። ዋፋ ሳዒድ ኣብ ዘቅረበቶ ሪፖርት \"ደቂ ኣንስትዮ ብኣባላት ሰራዊት ከምዝተደፈራ፣ ብጉጅለ ኮይኖም ከምዝደፈሩወን፣ ኣብ ቅድሚ ኣባላት ቤተሰብ ንክድፈራ ከምዝተገብረ፣ ደቂ ተባዕትዮ ንኣባላት ቤተሰቦም ንክደፍሩ ከምዝተገደዱ\" ገሊጸናልና ትብል። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%88%A8%E1%89%A0-%E1%89%B0%E1%8A%B9%E1%88%B2-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%8C%BB%E1%8B%89%E1%8B%92%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%8C%BB%E1%8C%89-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5829891.html"} {"headline":"መዓስከር ስደተኛታት ሽመልባን ሕጻጽን ምዕናዎም ትካል ስደተኛታት ሕ\/ሃ ኣረጋጊጹ","content":"ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ ናብ’ተን ክሪኤን ዘይካኣለ ኣብ ትግራይ ዝነበራ ክልተ መዓስከር ስደተኛታት ድሕሪ ኣዋርሕ ከምዝኣተወን፣ 20 ሽሕ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣዕቁበን ዝነበራ ክልቲኤን መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን፣ ሙሉእ ንሙሉእ ዓንየን፣ነቶም ስደተኛታት’ውን ከምዘይረኸቦም’ ትካል ስደተኛታት ሕ\/ሃ ኣፍሊጡ። ወሃቢ ቃል'ቲ ትካል ቦሪስ ቼሽሪኮቭ ኣብ ጄነቫ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ \"ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ ጸገም ጸጥታ ኣብ ዝራኣየሉ ሃዋሁ፣ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ሽመልባን ሕጻጽን ከምዝኣተወ\" ኣፍሊጡ። ኣብ ሕጻጽ ይብል ንሱ፣ ብሕልፊ ዞባ ሓደ፣ ቤት ጽሕፈት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን መቀበሊ ኣጋይሽን ሙሉእ ንሙሉእ ከምዝተባርዑ ኣረጋጊጾም እዮም ይብል። እታ ጉጅለ ልኡኽቶ፣ ነቲ ኣብ ፈለማ’ዚ ዓመት’ዚ፣ ብሳተላይት ንዝተራኣየ ክስተት ከምዘረጋገጸት’ውን ጠቂሱ። ወሃቢ ቃል ሕ\/ሃ ፈርሃን ሃቅ \"ጥሙር ወፍሪ ጉዳያት ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ድሕሪ ምክያድ፣ ክልቲኤን መዓስከራት ተደምሲሰን፣ ተሰሪቀንን ተዘሪፈንን ከምዝረኸብወን\" ገሊጹ። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብኩነታት’ቶም ኣብ’ተን መዓስከራት ዝነበሩ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ምሽቃሉን ኣፍሊጡ ኣሎ። ኩሎም ስደተኛታት ተበቲኖም ኣለው። ኣብ ሕጻጽን ሽመልባን ኣስታት 20 ሽሕ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ነይሮም። 7 ሽህ ኤርትራዊያን ናብ ማይዓይኒን ዓዲ ሓርሽን ንክኣትው ከምዝተገበረ፣ 2 ሽሕ ካልኦት ድማ ኣብ ሽረ፣ መቀለ፣ ዓፋርን አዲስ አበባን ተበታቲኖም ይርከቡ። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ኣብ ሸራሮን ሽመልባን ዘሎ ውሽጣዊ ተመዛበልቲ ኣብ ጽንኩር ሕጽረት ህይወት ኣድሕን ሓገዛት ከምዝርከቡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%B5%E1%8A%A8%E1%88%AD-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%BD%E1%88%98%E1%88%8D%E1%89%A3%E1%8A%95-%E1%88%95%E1%8C%BB%E1%8C%BD%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%8A%93%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%88%A8%E1%8C%8B%E1%8C%8A%E1%8C%B9\/5829904.html"} {"headline":"ኤርትራ: ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝቐረበ ጸብጻብ ናይ ሓሶት ክስታት ክትብል ምላሽ ሂባ","content":"ሚንስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረ መስቀል ብናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዝወፀ መባእታዊ ሪፖርት ዘደንቑ ናይ ሓሶት ክስታት እዮም ኢሎም ። ኣቶ የማነ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሕዎ መልእኽቲ ኣብዚ ዘሕዝን ጉዳይ ንኣእምሮ ዝስሕብ ነገር ኣብ ውሽጢ እቶም ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ዝምሃዙ ወረታት ይለዋወጡ ኣለው ኢሎም። ኣብ መንጎ ኤርትራን ሱዳንን ነቓዕ ወይ ክፍተት ንምፍጣር እውን ወታሃደራት ኤርትራ ኣብ ኣል ፋሺቃ ኣትዮም ዝብል ሸረኛ ክስታት ከምዝቐረቡ ወሲኾም ገሊፆም። ኣቶ የማነ ነዚ ዝበሉ ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኣክሱም ካብ 19 ክሳብ 21 ሕዳር 2013 ዓ\\ም ብዙሕ ህይወት ሰባት ከምዝጠፍአ፣ ኣብ ልዕሊ ሰባት ከቢድ ኣካላዊ ጉድአት ከምዝወረደ መርተዖታት ዝብል ጸብጻብ ድሕሪ ምውጽኡ'ዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%A5%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%88%A8%E1%89%A0-%E1%8C%B8%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%89%A5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%88%B6%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%BD-%E1%88%82%E1%89%A3-\/5829915.html"} {"headline":"'ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ስጡም ዝምድና ክፍጠር ኢና ንሰርሕ ዘለና'ወ\/ሮ እቴነሽ ንጉሰ","content":"ሓላፊት ቢሮ ኮምኒኬሽን ክልል ትግራይ ወ\/ሮ እቴነሽ ንጉሰ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ስጡም ዝምድና ክፍጠር ኢና ንሰርሕ ዘለና ኢለን:: ምስሊ ክልልና ኣብ ዓለም ብኣወንታ መታን ኽርአ ንህዝብና ኣብ ምድሓን ክሰርሕ ኣለና ኢለን። ኣብዚ ምቹእ ኩነታት ዘይተማላኣሉ እዋን፡ ንህዝበይ ኣብ ምድሓን እንታይ ኣበርክቶ ክገብር እኽእል ዝብል መንፈስ ክዓዝዝ ከምዘለዎ'ውን ትጽውዕ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8E-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8C%A1%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%8A%93-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%8C%A0%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%8A%93-%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8A%93-%E1%8B%88-%E1%88%AE-%E1%8A%A5%E1%89%B4%E1%8A%90%E1%88%BD-%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%B0\/5829818.html"} {"headline":"‘ኣብ ትግራይ ጅምላዊ ህልቂት ደው ይበል!’ ዝብል ሰልፊ ተጋሩ ሎሚ ተካይዱ","content":"ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዩናይትድ ስቴትስ ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝዋሓዙ ተጋሩን ደገፍቶምን ሎሚ ሓሙስ ኣብ ፊት ንፊት ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ብመሰረት ነቲ መደብ ዘዋደዱ ዕላማ’ቲ ናይ ሎሚ ሰላማዊ ሰልፊ ‘ጅምላዊ ህልቂት ኣብ ትግራይ የብቅዕ፣ ማሕበረ ሰብ ዓለም ስጉምቲ ዝወስደሉ ጊዜ ሎሚ ምኳኑ ንምዝኽካር ከምዝኾነ’ ፈሊጥና ኣለና። ‘ሕጋዊ መንግስቲ ትግራይ ናብ ቦትኡ ይመለስ!’ እውን ይብሉ ነይሮም እቶም ናይ ሎሚ ሓሙስ ተሰለፍቲ። እቲ ናይ ድጋፍ ሰልፊ ንትግራይ ኣብ ኒውዮርክን ካልኦት ከተማታት ዩናይትድ ስቴትስን ካልኦት ሃገራትን ከምዝቅጽል ኣዋሃሃድቲ እቲ ሰልፊ ገሊጾምልና ኣለው። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/tegaru-demonstration-in-dc-stop-genocide-in-tigray-eritrean-troops-ethiopia-army-abyi-ahmed-isaias-afewerki-\/5828789.html"} {"headline":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ሕ\/ሃን ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጥረ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ሓባራዊ መርመራ ከምዘካይዱ ኣፍሊጦም","content":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን፡ ናይ ሕቡራት ሃገራት ላዕላዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ብዝበጽሕዎ ስምምዕ መሰረት፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጥረ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብሓባር ኮይኖም ክምርምርዎ`ዮም ተባሂሉ። ብሓባር ዝወጸ መግለጺ ከምዘመልክቶ፡ ውጽኢት`ቲ መርመራ ነቲ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝኾነ ሕቶ ፍትሒ ግዳያት ብኸፊል ዝምልስ ክኸውን`ዩ። ክልቲኦም ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፡ እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ነቲ ኩነታት ክከታተልዎ ምጽንሖም ሓቢሮም ኣለዉ። እቲ መርመራ ኣብ ሓጺር ግዜ ከምዝጅምርን ን3ተ ኣዋርሕ ከም ዝቕጽልን እቲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ናይ ሕቡራት ሃገራት ላዕላዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ዝወጸ ናይ ሓባር መግለጺ ኣመልኪቱ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%95-%E1%88%83%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%A8-%E1%8C%8D%E1%88%85%E1%88%B0%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%89%A3%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A6%E1%88%9D\/5828513.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ኣስመራ ኣትዩ","content":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ሎሚ ሓሙስ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ኣስመራ ምእታው ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ገሊጾም:: ቀ\/ሚ ኣብይ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝኣተውሉ ፕረዚደንት ኢሳያስ ከምዝተቐበልዎም'ውን ተሓቢሩ'ሎ:: ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ርክቦም ኣብ ክልቲኣዊ ጉዳያትን ዞባዊ ምዕባለታት ምዝታዮም ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ወሲኾም ሓቢሮም:: እቲ ብቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ልኡኽ ሚኒስትር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዶ\/ር ቀንአ ያደታን ሚኒስትር ቴክኖሎጂን ምህዞን ዶ\/ር ኣብርሃም በላይ ዝሓዘ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ::","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%95%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%A9\/5828189.html"} {"headline":"ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ኣኽሱም ቅትለት ከምዝፈጸሙ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ገሊጹ","content":"ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ ነቲ ኣብ ኣኽሱም ተፈጺሙ ንዝበሎ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝገልጽ መባእታዊ ሪፖርት ሎሚ ረቡዕ ዘርጊሑዎ ኣሎ። ብስሩዕን ዘይስሩዕን ኣገባብ ኣብ አኽሱም ከቢድ መግሃስቲ መሰላት ከምዝተፈጸሙ ዝሕብሩ ሪፖርታት ይቃልሑ ከምዝነበሩ ዝጠቀሱ በዓል ስልጣን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣቶ ኣስመላሽ ዮሃንስ፣ እንተኾነ ናብ’ቲ ስፍራ ኣቲና ክነጻርዮ ኣይካኣልናን ነይርና ይብሉ። \"ኣብኡ ምስከድና ዝተዓዘብናዮ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋን ከበድቲ መግሃስቲታት ምፍጻሞም ሪኢና አለና። ካብ ሕዳር 9 ክሳብ 16፣ ድሒሩ ድማ ካብ ሕዳር 19 ክሳብ 21፣ ክሳብ ሎሚ ኣብ ዘሎ ጊዜ ድማ ሰባት ብሰንኪ ሰዓት ሕላፍ ይቅተሉ ከምዘለው ኣረጋጊጽና ኣለና\" ኢሎም። ብመሰረት ዘካየድኩምዎም መስርሕ ምጽራይ ፈጸምቲ እቲ ቅትለት ኣብ አኽሱም መን እዮም ንዝብል ዝቀረበ ሕቶ ኣቶ ኣስመላሽ ዮሃንስ ዝሃብዎ መልሲ፣ \"ካብ 9 ክሳብ 16 ሕዳር ዝተፈጸመ ቅትለት ብሰራዊት ኢትዮጵያ ሰራዊት ኤርትራን ዝተፈጸመ ቅትለት ከምዝኾነ መርተዖታት ሓቢሮምና አለው። ካብ 19 ክሳብ 21 ሕዳር ኣብ ዝነበረ ቅትለት ግና ብሰራዊት ኤርትራ ብዙሕ ህይወት ሰባት ከምዝጠፍአ፣ ኣብ ልዕሊ ሰባት ከቢድ ኣካላዊ ጉድአት ከምዝወረደ እዩ መርተዖታት ዝሕብሩ\" ኢሎም። ድሕሪ 21 ሕዳር ዝተፈጸሙ ቅትለታት እንደገና ብሰራዊት ኢትዮጵያን ሰራዊት ኤርትራን ዝተፈጸሙ ቅትለታት ከምዝኾኑ’ውን እቶም በዓል ስልጣን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓቢሮም። ካብ ኣክሱም ወጻኢ ኣብ መላእ ትግራይ ዝተፈጸሙ ግህሰታት ብዕምቆት ንምምርማር ዝምልከቶም ኣካላት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ፌደራላዊን መንግስታት ሓገዝ ንከበርክቱ ኣቶ ኣስመላሽ ዮሃንስ ሓቲቶም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8A%BD%E1%88%B1%E1%88%9D-%E1%89%85%E1%89%B5%E1%88%88%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%99-%E1%8A%AE%E1%88%9D%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9-\/5827087.html"} {"headline":"ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ተቋሪጹ ዝጸንሓ ትምህርቲ ከምዝጅምር ተሓቢሩ","content":"ኣብ ኤርትራ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ብዝተወስደ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ተቛሪጹ ዝነበረ ትምህርቲ፡ ዝመጽእ ሰሙን ሚያዝያ 1,2021 ከምዝጅምር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኤርትራ ኣፍሊጡ። ትምህርቲ ምጅማሩ ስግኣት'ቲ ለበዳ ሕማም ጎዲሉ'ዩ ማለት ከምዘይኮነ ዝጠቐሰ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ክስርሕሎም ዝጸንሑ ኣገባባት ምክልኻል ኮቪድ 19፥ ክቕጽሉ ከምዘለዎም ብጽኑዕ ኣተሓሳሲቡ'ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%88%88%E1%89%A0%E1%8B%B3-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%89%B0%E1%89%8B%E1%88%AA%E1%8C%B9-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%93-%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8C%85%E1%88%9D%E1%88%AD-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5827075.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ከባቢ ሰሜን ሸዋ ዝተኻየደ ግጭት፡ ትማልን ሎምን ኣንጻራዊ ሰላም ከምዝዓሰሎ ይግለጽ ኣሎ","content":"ኣብ ከባቢ ሰሜን ሸዋ ኣብ ኣጣየን ከሚሴን ዝተኻየደ ከቢድ ብረት ዝተሓወሶ ግጭት፡ ትማልን ሎምን ኣንጻራዊ ሰላም ከምዝዓሰሎ ይግለጽ ኣሎ። በቲ ግጭት ዝሞቱን ዝቖሰሉን ከምዘለዉ ይገለጽ ኣሎ፡ ቁጽሮም ዝህብ ግን ኣይተረኽበን። ጠንቂ'ቲ ግጭት፡ ገሊኦም ኦነግ ሸኔ'ዩ ክብሉ ኸለዉ ካልኦት ድማ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ'ዩ ይብሉ። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ ብዛዕብኡ ኣብ ፓርላማ ክዛረብ ከሎ፡ ንክልቲኦም ብሄረሰባት ንምግጫው ኮነ ኢሉ ዝሰርሕ ኣሎ ኢሉ ኔሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%88%B8%E1%8B%8B-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B0-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%88%9B%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%88%8E%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%8C%BB%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8B%93%E1%88%B0%E1%88%8E-%E1%8B%AD%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BD-%E1%8A%A3%E1%88%8E\/5827066.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ንህላዌ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ንፈለማ ጊዜ ገሊጹ","content":"\"ሰራዊት ኤርትራ፣ ዶብ ሰጊሩ ኣብ ትግራይ ከምዝኣተወ\" ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ አብዪ ኣህመድ ንፈለማ ጊዜ ብወግዒ አፍሊጦም። \"መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሰራዊቱ ንምውጻእ፣ ሃገራዊ ስግኣት ድሕነት ክፈጥረለይ እዩ\" ከምዝብል’ውን ገሊጾም። እቶም ቀ\/ሚ \"ሰራዊት ኤርትራ ንዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ፣ ኣብ ኢትዮጵያ እናተንቀሳቀሰ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብጥፍኣት ብዝፍረድ ብዝኾነ መገዲ ዝፍጽሞም ጥፍኣታት ኣይንቅበልን። እዚ ዘይንቅበሉ ምኽንያት ፈጻሚኡ ሰራዊት ኤርትራ ስለዝኾነ ኣይኮነን። ሰራዊትና እንተፈጺሙዎ’ውን ኣይንቅበልን። እቲ ወፍሪ ብንጹር ምስ ዝተነጸሩ ጸላእትና’ምበር ምስ ህዝቢ ኣይኮነን\" ኢሎም ። ቀ\/ሚ ኣብይ \"ምክልኻል ሃገር፣ ክሕደት ተፈጺምዎ፣ ብናይ ገዛእ ወገናቱ ጥፍኣት ክፍጸሞ ከሎ፣ ህዝብን መንግስቲ ኤርትራ ናብኦም ንዝሰገሩ ወትሃደራት ዝሓዘሉ ኣገባብ፣ ናብ ዝመረጽዎ ንክኸዱ ዝመረጸሉ መገዲ፣ ናይ ኩል ጊዜ ናይ ኢትዮጵያ ባዓል ውዕለት እዩ። ንህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ ኣዚና ኢና ነመስግን\"ኢሎም። ንሶም ስራሕቲ ዝተፈላለዩ ሚድያታት፣ በይነ መንግስታት፣ ዘይመንግስታዊ ተሓለቅቲ መሰላት፣ ዛጊድ ንዝዘርግሕዎም ሓበሬታታ ብምግምጋም ‘ሚዛኑ ዘይሓለወ እዩ’ ክብሉ ወቂሶም። ቀ\/ሚ ኣብይ \"እዚ ኩሉ በደል ወሪዱና፣ ንቁጠባ ሃገር ዘናውጽ፣ ንሃገር ዘዋርድ ስራሕ ተፈጺሙ ከብቅዕ፣ ተመንጢልና፣ ተዘሪፍናን ተቀቲልናን እናሃለና ተኸዲዕና እናሃለና፣ መሊሶም ንዓና ገበነኛ ንክገብሩና ይጽዕሩ ኣለው\" ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8C-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8D%88%E1%88%88%E1%88%9B-%E1%8C%8A%E1%8B%9C-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9-\/5825819.html"} {"headline":"ኤርትራ: ንውሳነ ባይቶ ሚኒስትራት ሕብረት ኣውሮጳ ነጺጋቶ","content":"መንግስቲ ኤርትራ ባይቶ ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዘሕለፎ ውሳኔ \"መሰረት ኣልቦን ዓንቃጽን ውሳነ” ክብል ብትሪ ነጺግዎ። ኤርትራ ነቲ ባይቶ ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ኣውሮጳዊ ሕብረት ትማሊ 22 መጋቢት,2021 ዘሕለፎ ውሳነ \"ገታኢ ስጉምትታት ንግሉሕ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት” ብዝብል ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘሕለፎ ውሳነ ፡ \"መሰረት ኣልቦን ዓንቃጽን ውሳነ” ክብል ብትሪ ነጺግዎ። \"ባይቶ ኣውሮጳዊ ሕብረት ነዚ ውሳነ’ዚ ከሕልፍ ሕጋዊ ይኹን ሞራላዊ ስልጣን የብሉን” ክብል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ነቲ ውሳነ ተቃዊምዎ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%95%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%88%AE%E1%8C%B3-%E1%8A%90%E1%8C%BA%E1%8C%8B%E1%89%B6\/5825616.html"} {"headline":"ኣምባ.ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ጊታ ፓሲ ኣብ ክልል ትግራይ ምብጻሕ አካይደን","content":"ሓዳስ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያ ጊታ ፓሲ ትማሊ ሶኑይ ኣብ ክልል ትግራይ ዑደት ኣካይደን።ኣምባሳደር ጊታ ኣብቲ ዑደተን ምስ ፈጸምቲ ስራሕ'ቲ ኽልል፡ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ምስ ሓለፍቲ ትካላት ወሃብቲ ሓገዝን ተራኺበን ዘተ ኣካይደን። ንሓበሬታ ኤምባሲ ኣሜሪካ መሰረት ጌሩ ዝተዳለወ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ንድምጺ ዘይንጹርነት ይቕሬታ ንሓትት።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8C%8A%E1%89%B3-%E1%8D%93%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B0%E1%8A%95\/5825594.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ንፈለማ ጊዜ ኣብ ኹናት ትግራይ ግፍዒ ምፍጻሙ ገሊጾም","content":"መራሒ ኢትዮጵያ ወታሃደራት መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ህድማ ንዝርከቡ መራሕቲ እቲ ክልል ንምህዳን ውግእ ኣብ ዝቐፀለሉ ግፍዒ ተፈፂሙ ኢሎም :: ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ሰሉስ ንኣባላት ፓርላማ ሃገሮም ከም ዝተዛረቡዎ ኣብ ትግራይ ግፍዒ ምፍፃሙ ዝሕብሩ ፀብፃባት ኣለው ኢሎም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ 6 ሚሊዮን ህዝቢ ኣብ ዝነብሩላ ክልል ትግራይ ከበድቲ ገበናት ምፍፃሞም ኣፍልጦ ክህቡ እዚ ንመጀመሪያ ግዜ እዩ። ብህወሓት ዝንዛሕ ‘’ናይ ፕሮፓጋንዳ ምግናን’’ ኣሎ ግን ንደቂ ኣንስትዮ ዝዓመፁ ወይ ገበናት ኵናት ዝፈፀሙ ወታሃደራት ክሕተቱ እዮም ኢሎም። ኣሜሪካ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ገሊኦም መግሃስታት ‘'ምፅናት ዓሌት’’ ክትብል ገሊፃቶ ኣላ።መንግስቲ ኢትዮጵያ መሰረት ዘይብሉ እዩ ክብል ነፂጉዎ ኣሎ።ኣሜሪካ ኣብ ጎኒ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮይኖም ይዋግኡ ዘለው ወታሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወፁ ኣተሓሳሲባ ኣላ። ምስ ኤርትራ ሰላም ብምፍጣሮም ኣብ 2019 ተዓዋቲ ኖበል ሽልማት ሰላም ዝኾኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዘሎ ግጭት ደው ከብሉዎን ተፈፂሞም ዝብሃሉ ገበናት ኵናት ብዝሓሸ ድማ ብሕቡራት ሃገራት ዝምራሕ ዓለምለኸ ምርመራ ክካየድን ድፍኢት ገጢሙዎም ኣሎ። ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነቕፉ ግን ብፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝካየድ ምርመራ እኹል ኣይኮነን ምኽኒያቱ መንግስቲ ንርእሱ ክምርምር ኣይኽእልን ይብሉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8D%88%E1%88%88%E1%88%9B-%E1%8C%8A%E1%8B%9C-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%B9%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%8D%8D%E1%8B%92-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%8C%BB%E1%88%99-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/5825740.html"} {"headline":"ናብ ኢትዮጵያ ዝበጽሑ ልኡኽ ፕረዚደንት ባይደን ናብ ሃገሮም ምምላሶም ተገሊጹ","content":"ብዛዕባ ሰብኣዊ ቅልውላውን መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ትግራይ ክዘራረቡ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ዝለኣኹዎም ሰኔተር ክሪስ ኩንስ ምስ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድን ምኽትል ቀዳማይ ምንስቴርን ምንስቴር ወፃኢን ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነንን ተራኺቦም። ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣማባሳደር ዲና ብዛዕባ እቲ ዑደት ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ናይ ፕሬዝዳንት ባይደን ፍሉይ ልኡኽ ዝመርሑዎ ጉጅለ ምስ ቀዳማይ ምንስቴር፣ምስ ምኽትል ቀዳማይ ምንስተርን ምንስቴር ወፃኢን ከምኡ እውን ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ተዘ ራሪቦም ናብ ሃገሮም ምምላሶም ገሊፆም። ናይቲ መልእኽቲ ዝዓበየ ነገር ‘’ህልዊ ኩነታት ንምርኣይን ዘሎ ኩነታት ካብ መሪሕነት መንግስቲ ንምርዳእን እዩ’’ ኢሎም። ኣብ እዋን እቲ ልዝብ ሕጊ ናይ ምኽባር ኢሎም ዝፀውዕዎ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየድ ግጭት መንቀሊ፣እቲ ከይዲን ውፅኢትን ሕዚ ዝርከበሉ ብርክን ብፍላይ ድማ ኣብ ዳግመ ህንፀት ይካየዱ ዘለው ምንቅስቓሳት፣ሰብኣዊ ሓግዝ ንምሃብ እቲ ከባቢ ምኽፋቱ፣ኣብ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝቐርቡ ጥርዓናት በነፃ ኣካላት ናይ ምፅራይ ኣንፈት ምጅማሩን መንግስቲ ድልዊ ምዃኑን ዓለምለኸ ሚዲያ ኣብቲ ቦት ክርከቡ መብርሂ ተዋሂቡዎም ኢሎም። ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያ ዘሎ እዋናዊ ኩነታትን ከምኡ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ብምዝምልከት መብርሂ ተዋሂቡዎም ኣሎ ይብል። ሰኔተር ክሪስ ኩንስ ናብ ሃገሮም ቅምዲ ምምላሶም ትማሊ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ሰብላዊ ኮምሽን ኮምሽነር ዶክተር ዳንኤል በቀለ ምዝርራቦ ተፈሊጡ ኣሎ። ናይቶም ሰኔተራት ዑደት ብዝምልከት ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ምንስቴር ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት መንግስቲ ዕላዊ መግለፂ የለን። ናይ ዩናይትድ ስቴት ልኡኽ ኣብ ትግራይ ይካየድ ዘሎ ግጭት ናይ ፕሬዝዳንት ጆ ባይደን ‘'ከቢድ ስኽፍታ’’ ንምብፃሕ እዮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣምሪሖም ። እቶም ፕሬዝዳንት ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላትን ከምኡ እውን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ንዝ ህልዎ ሰፊሕ ሓደጋ ዘይምርግ ጋእን ክገልፁሎም እዮም ብመሰረት መግለፂ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት እዩናይትድ ስቴት ስ ጄክ ሱልቫን። ኣብ መንጎ ሓይልታት ፌደራልን ክልል ትግራይን ኣብ ወርሒ ሕዳር ግጭት ካብ ዝጅምር ኣማዕቲ ኣሕሽሓት ሰባት ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተመዛቢሎምን ኣብ ሱዳን ዕቑባ ሓቲቶምን እዮም። ኣብ ቀረባ ዝወፀ ሪፖርት ዩናይትድ ስቴትስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ‘’ስልታዊ ምፅናት ዘርኢ’’ ይፍፅም ኣሎ ክብል ደምዲሙ እዩ።ሓይልታት ኢትዮጵያን ንቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ብምድጋፍ ኣብ ግጭት ትግራይ ዝተሓባበሩዎም ተዋጋእቲ ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ኮነ ተባሂሉን ብብቕዓትን ኣብ ምዕራባዊ ትግራይ ብዝተዋደደ ሓይልን ምፍርራሕን ኣባሪሮምዎም ይብል እቲ ፀብፃብ። ዩናይትድ ስቴትስ ተፈፂሙ ዝብሃል ገበናት ኵናት ብገለልተኛ ምርመራ ክፃረ ተዊዓ ኣላ። ኣምባሳደር ዲና ‘'ብወገን ኢትዮጵያ ብሓባር ንምስራሕን ምትዕርራያት ንምግባርን ድልየት ኣሎ’’ኢሎም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ud-delgation-top-ethiopian-offcials-discuss-tigray-conflict\/5824232.html"} {"headline":"መንግስቲ ሶማል ምርጫ ከምዘካይድ ገሊጹ","content":"መራሕቲ ሶማሊያ ግልፂ ምርጫ ከካዩዱ ዩናይትድ ስቴትስ ድሕሪ ምትሕስሳባ መንግስቲ ሶማሌ ፀኒሑ ፕሬዝዳንታውን ፓርላማነታውን ምርጫ ከምዘካይድ ቃል ኣትዩ።ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ U\/Sዩ ኣንቶኒ ብሊንከን እቶም መራሕቲ ''ፀቢብ ፖለትካዊ ዕላማታት'' ናብ ጎኒ ገዲፎም ንህዝቢ ሶማሊያ ዘለዎም ሓላፍነት ክወፃኡ ኣለዎም ኢሎም ዝሓለፈር ዓርቢ። መራሕቲ ሶማሌ ምስሕሓቦም ጠጠው ኣቢሎም ኣብ ዴሞክራሲያዊ መስርሕ ከተኩሩ ዩናይትድ ስቴትስ ድሕሪ ምፅውዓ ምንስቴር ሓበሬታ ሶማሌ ዖስማን ዱቤ ምርጫ ከምዝካየድ ኣረጋጊፆም ኣለው። ዱበ ከምዝበሉዎ ፌደራል መንግስቲ ሶማሊያ ብኽልቲኡ ኣብያተ ምኽሪ ሶማሊያ 17 መስከረም 2020ኣ\\ፈ ብመሰረት ዝፀደቐ ስምምዕ ብቕልጡፍ ምርጫ ከካይድ እዩ እዮም ኢሎም። ፋርማጆ ብዝብል ሽም ዝፍለጡ ናይ ሶማሊያ ፕሬዝዳንት መሓመድ ዓብዱላሂ ናይ ስልጣን እዋኖም ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ድሕሪ ምብቅዑ ምስ መራሕቲ ፌደራልን ክፍለ ግዝኣታትን ናይ ክልተ ማዕልታት ዋዕላ ኣካይዶም። ቤት ምኽሪ ሃገራዊ መድሕን ዝተብሃለ ተቓዋሚ ፓርቲ እቶም ፕሬዝዳምት ከምዚ ዝበለ ዋዕላ ናይ ምክያድ ሕገ መንግስታዊ ስልጣን የብሎምን ይብል።ኩሎም ፖለቲካዊ ሰብ ትሕጃ ዝውከልሉ ጉባኤ ፀዊዑ ኣሎ እቲ ውድብ። ቀንዲ ኣባል ናይቲ ተቓዋሚ ውድብን መራሒ ዓርሰ ምምሕዳር ፑንትላንድን ዝኾኑ ሳዒድ ዓብዱላሂ ደኒ ሶማሊያዊያን ዜጋታት ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ክሓብሩ ፀዊዖም። እታ ሃገር ኣብ ቀራና መንገዲ እያ ዘላ ዝበሉ ንሶም ህዝቢ ሶማሊያ ኣብቶም ዝሓለፉ 20 ዓመታት ዝተረኸቡ ምዕባለታት ንምድሓን ክሓብር ኣለዎ ኢሎም። መራሕቲ ሶማሌ ምርጫ ንምክያድ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክጥቀሙ ሕቡራት መንግስታት ትማሊ ሰንበት ዘውፅኦ መግለፂ ይምሕፀን።ኣብ ሶማሌ ቤት ፅሕፈት ሕቡራት መንግስታት ዘውፅኦ መግለፂ ንረብሓ እታ ሃገርን ህዝባን ክረዳድኡ ፀዊዑ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/somalias-leadrs-plan-to-move-forward-with-polls-following-us-calls\/5824228.html"} {"headline":"ሚ\/ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ጥሒሰን ዝበልወን ሃገራት ማዕቀባት ኣንቢሮም","content":"ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ጥሒሰን ዝበልወን ሃገራት ማዕቀባት ኣንቢሮም ኣለዉ። ቻይና: ማይንማር: ሩስያ ተጠቀስቲ ክኾና ከለዋ፡ ኣብ ኤርትራ: ደቡብ ሱዳን ሊብያን ዝርከቡ ውልቀሰባትን ትካላትን`ውን ዒላማ ናይቲ እገዳ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኮይኖም ኣለዉ። እቲ 27 ሃገራት ዝሓቖፈ ደምበ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ንኣርባዕተ ሰበ-ስልጣን ቻይናን ሓደ ትካል መንግስትን ኣብ ዝርዝር`ቲ እገዳ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከእትዎም ከሎ፡ ንኣርባዕተ ሰበ-ስልጣን ሩስያ ድማ- ብማእሰርቲ ነቓፋይ ክረምሊን ኣለክሰይ ናቫልኒ ኣብ ማዕቀብ ኣእትዩዎም ኣሎ። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ንማዕቀብ ሕብረት ኤውሮጳ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ዝኾነ ንዞባ ጂንጂያንግ ዝምልከት ኣብ ልዕሊኣ ዝግበር መቕጻዕቲ ሓያል ግብረ መልሲ ክስዕቦ`ዩ ክብል ኣጠንቂቑ`ሎ። ሕብረት ኤውሮጳ ንኤርትራ ብዝምልከት ኣብታ ሃገር ንዝፍጸም ከም ብዘይፍርዲ ምእሳር፡ ምስዋርን ምቕታልን ዝበሉ ግህሰታት ተሓታቲ`ዩ ንዝበሎ ትካል ሃገራዊ ድሕነት ኣብቲ ዝርዝር እገዳ ዘእተወ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ንጀነራል ጋብሪኤል ሞሰስን ንናይ ሊብያ ሚሊሻ ካንያትን`ውን ኣብቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ዝርዝር እገዳ ኣትዮም ኣለዉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%8B%8D%E1%88%AE%E1%8C%B3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8C%A5%E1%88%92%E1%88%B0%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%8D%E1%8B%88%E1%8A%95-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%9B%E1%8B%95%E1%89%80%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/5824224.html"} {"headline":"ብማሕበራዊ ሚድያታት ዝሓልፉ መልእኽትታት ብኸመይ ነንብቦምን ንርድኦምን? ግጉይ ዝኾነ ሓበረታ ካብ ምትሕልላፍ'ከ ማዕረ ክንደይ ንጥቀቕ?","content":"ተክኖሎጂ ኣብ ህይወት ደቂሰባት ኣገዳሲ ተራ ኣብ ዝጻወተሉ ዘሎ እዋን፡ ናይ ባዕሉ ዝኾነ ጸገማት'ውን ኣለዎ። ንኣጠቓቕማ ማሕበራዊ ሚድያ እንተርኢና፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ጽቡቕ ኣብ ሕማቕ ዝውዕለሉ ኣጋጣሚታት ብዙሕ'ዩ። ንሎሚ ፥ ብማሕበራዊ ሚድያታት ዝሓልፉ መልእኽትታት ብኸመይ ነንብቦምን ንርድኦምን? ግጉይ ዝኾነ ሓበረታ ካብ ምትሕልላፍ'ከ ማዕረ ክንደይ ንጥቀቕ፡ ዝብል ኣርእስቲ ኣልዒልና ብርክት ዝበሉ ምሁራትን ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያን ዓዲምና ኣለና። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9A%E1%8B%B5%E1%8B%AB%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%88%8D%E1%8D%89-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%89%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8A%B8%E1%88%98%E1%8B%AD-%E1%8A%90%E1%8A%95%E1%89%A5%E1%89%A6%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%AD%E1%8B%B5%E1%8A%A6%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%8C%8D%E1%8C%89%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8A%BE%E1%8A%90-%E1%88%93%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%89%B3-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%88%95%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%8D%8D-%E1%8A%A8-%E1%88%9B%E1%8B%95%E1%88%A8-%E1%8A%AD%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8C%A5%E1%89%80%E1%89%95-\/5824075.html"} {"headline":"ኣብ ትግራይ 587 ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ብወታደራት ፆታዊ መጥቓዕቲ ከምዝተፈፀመን ተገሊፁ","content":"ግዳያት ንከቢድ አካላውን ኣእምራውን በሰላ ከምዝተሳጥሓ ሰራሕተኛታት ዓይደር ሆስፒታልን ግዳያትን ገሊፀን ኣብ ትግራይ ብወታደራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣስገዳድ ፆታዎ መጥቓዕቲ ተፈፂሙወን ዝተብሃላ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ኣብ ከቢድ ኣካላን ኣእሙራውን ስቓይ ከምዝርከባ ቪኦኤ ዘዘራረበን ግዳያትን ሰራሕተኛታት ሆስፒታል ዓይደርን ገሊፀን።ብ15 ወታደራት ኤርትራ ከምዝተደፈረት እትገልፅ ብዓልቲ ሓዳርን ኣደ ክልተ ቆልዑን ኣብ ውሽጢ ወታደራዊ ካምፕ ንሸውዓተ ማዕልታት ‘'ተላጊፆምለውይ’’ ክትብል ብንብዓት ትዛረብ። ብወታደራት ኤርትራ ተደፊረ ዝበለት ካልእቲ ጓል 19 ዓምት ተምሃሪት 12 ክፍሊ ድማ ዝወረዳ ጉድኣት ተዛሪባ ኣላ። ናብ ወታደራዊ ካምፖ ወሲዶም ካብ ሓደ ጥሪ ክሳብ ሸውዓተ ጥሪ ብጉጅለ ከምዝደፈሩዋ ትገልፅ። ካብ ትግራይ ቢሮ ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ ብመሰረት ዝተረኸበ መረዳእታ እቲ ኵናት ካብ ዝጅምር ኣብ መቐለ ሓዊሱ ሓገዝ ሕክምና ንምርካብ ናብ ማእኸላት ጥዕና ዝመፃ ግዳያት ካብ ጓል ሸሞንተዓመት ቆልዓ ክሳብ 90 ዓመት ዓባይ 587 ደቂኣንስትዮን ኣዋልድን እየን።ካብ ዓይደር ሆስፒታል ብመስረት ዝተረኸበ መረዳእታ ካብተን ግዳያት እተን 122 ደቂ ኣንስትዮ ጥንሲ ዝሓዛን ዘውረዳን እንትኾና 61 ካብተን ዝተጠቕዓ ትሕቲ ዕድመ ኣዋልድ እየን።ንናይ ኣካል ምጉዳል ጭንቀት ኣእምሮን ሓዊሱ ብHIVን ካልኦትን ብፆታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ዝተቓልዓ ኣለዋ ይብል እቲ መረዳእታ። ካልኦት 48 ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣብዝተፈላለዩ ወታደራዊ ካምፕታት ተታሒዘን ብዙሕ መደል ይፍፀመን ከምዘሎ መረዳእታ ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ይገልፅ።ካብዚአን ኣብ ቀርሰበር 8 ኣብ ገጠር ዓድዋ 7 ደቂ ኣንስትዮ ተታሒዘን ይርከባ። ‘’ንደቀይ ክብል’’ ሽመይ ኣይጠቐስ ዝበለት ብዓልቲ ሓዳርን ኣደ ክልተ ቆልዑን ምስ ደቃ ካብ ኵናት ሃዲማ ኣብ በረኻ ከምዝፀንሐት ትገልፅ።ናብ ገዛይ ክምለስ ከለኹ ወታደራት ኤርትራ ናብ ወታደራዊ ካምፖ ወሲዶም ካብ ሓደ ጥሪ ክሳብ ሸውዓተ ጥሪ ብጉጅለ ከምዝደፈሩዋ ትገልፅ። እናነብዐት ቀፀለት።’’ክልተ ደቂ ኣለውኒ።ክሳብ ሕዚ ዓይኖም እይርኣኹዎምን’'ትብል።ወታደራር ኤርትራ ከምዝዓመፁዋ ትገልፅ። ብርሑቕ ሪኦምኒ ዝበለቶም ቐሺ ‘ቤተ ክርስቲያን ጨርቆስ’ ደጊፎም ክሳብ ዓዲግራት ከምዝወሰዱዋ፣ ሓደ ዘዋሪ ባጃጅ ናብ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ ከም ዝወሰዳን ሰባት ገንዘብ ኣዋፂኦምላ መቐለ ሆስፒታል ዓይደር ከምዝበፅሐትን ትዛረብ።ኣብቲ ሆስፒታል ዝለዓለ ሓገዝ ምርካባ እትገልፅ ንሳ ‘’ከቢድ ኣካልዊ ጉድኣት ስለዝወረደኒ ኣብ ሓያል ስቓይ ኣለኹ ክትትል ይግበረለይ ኣሎ’'ትብል። ሓንቲ ሰበይቲ ቀሺ ክድፈራ ከለዋ ምርኣያ ብሽም ፀዊዓ ቦታን ቤተክስቲያንን ጠቒሳ ገሊፃ ኣላ።ንሳ ‘’ግዳያት ፆታዊ መጥቓዕቲ ዝወረደን ደቂ ኣንስትዮ ብትብዓት ወፂአን ድምፀን ከስምዓ’’ ክትብል ትምዕድ። ፈፀምቲ ነቲ ፆታዊ መጥቓዕቲ ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ወታደራት ምዃኖም እተን ተጠቃዕቲ ከምዝዛረባ ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ዓይደር ሆስፒታልን ይገልፁ። ብሰንኪ ፆታዊ መጥቓዕቲ ዝለዓለ ናይ ኣካልን ናይ ኣእእምሮን ጉድኣት ዝወረደን ናብ 40 ዝፅግዓ ደቂ ኣንስትዮ ‘’SafeHouse’’ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ መቐለ ኣብዝርከብ ማእኸል መሐብሐቢ ኣለዋ። እተን ግዳያት ካብ ጥንሲ፣HIVን ካልኦት ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ብተወሳኺ ናይ ማህፀን ጉድኣት፣ምልማስ ኣእጋር፣ንናይ ኣእምሮ ምህዋኽን ሓደጋ ጠቓሊዐን ይርከባ ይብል እቲ ሓበሬታ። ሓላፊት ቢሮ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ወይዘሮ እትየነሽ ንጉሰ ኣብ መቐለ ሆስፒታል ደቂሰን ንዝርከባ ግዳያት ናይቲ መጥቓዕቲ ተዘዋዊረን ከምዝርኣይአን ይገልፃ። እተን ግዳያት ብወታደራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ፆታዊ መጥቓዕቲ ከምዝፍፀመን ንዕአን ይኹን ክሪኡወን ንዝመፁ ናይ ፌደራል ሰበስልጣን ስለዝዛረባ ነዚ ጠጠው ከብሎ ዘለዎ ናይ ፌደራል መንግስቲ እዩ ኢለን።’’ንሕና ከም ክልል መንግስቲ ናይ ምሕታትን ምክትታልን ሓላፍነት እዩ ዘለና፤ፌደራል መንግስቲ ሓደ ነገር ክገብር ከምዘለዎ እዩ ዝርኣየኒ’’ኢለን ወይዘሮ እትየነሽ። ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ትግራይ ይፍፀም ብዘሎ ፆታዊ መጥቓዕቲ ‘'ውሽጠይ ይደሚ’’ኣሎ ኢለን ወይዘሮ እትየነሽ። ሪኢቶታት ፖሊስ ኮሚሽን ክልል ትግራይ፣ፖሊስ ፌደራልን ኣምባሳደ ሬድዋን ሑሴንን ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰለጠን፤ምስረኸብና ክነቕርብ ኢና። መንግስታዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘውፅዖ ፀብፃብ ኵናት ስዒቡ ኣብ ልዕሊ 108 ደቂ ኣንስትዮ ፆታዊ መድፈርቲ ከምዝተፈፀመ ካብ መቐለ፣ዓዲግራት፣ዓይደር ሆስፒታልን ውቕሮ ሆስፒታልን ረኺበዮ ዝበሎ ቁፅሪ ገሊፁ ነይሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ትግራይ ተፈፂሞም ንዝተብሃሉ መግሃስታት ክምርመር ንዘቕረቦ ፃውዒት ተቐቢሉ ዓዲሙዎ ኣሎ።መንግስቲ ኢትዮጵያ ባዕሉ እውን ተፈፂሞም ዝብተብሃሉ መግሃስታትን ገበናትን ክምርምሮ እየ ምባሉ ይዝከር። ብድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-587-%E1%8B%B0%E1%89%82-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%88%8D%E1%8B%B5%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8D%86%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8D%80%E1%88%98%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8D%81-\/5821498.html"} {"headline":"ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሕ\/ሃ ንጉዳይ ትግራይ ብዝምልከት ሓባራዊ መርመራ ምስ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ከምዘካይድ ሓቢሩ","content":"ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ነቲ ካብ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝቀረበሉ ሕቶ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸሙ ከበድቲ መግሃስቲ መሰላት ሓቢርካ ንምጽራይ ኣዎንታዊ ግብረ መልሲ ምሃቡ ገሊጹ። በቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘጋጠመ ኩነታት ሰብኣዊ ቅልውላውን መግሃስቲ መሰላትን ኣዚና ተሻቂልና ኣለና። ስለዝኾነ እዩ፣ ንዝሰፍሐ ኩነታት ምብጻሕ ናብ’ቲ ከባቢ ንምእታው ንሓትት ዘለና: መንግስቲ ኢትዮጵያ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ንክኣትው ምፍቃዱ ኣዎንታዊ እዩ ኢሉ። ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ግና፣ ነቶም ዝተፈጸሙ ግህሰታት ሙሉእ መስርሕ ምጽራይ ንክካየደሎም ሓቲትና ኣለና። እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ፣ ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ትግራይ ብኩሎም ወገናት ዝተፈጸሙ ግህሰታት መታን ምጽራይ ክገበረሎምን፣ ቢሮ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ ንከጻርይ ካብ ኢትዮጵያ ዕድመ ድሕሪ ምቅራቡን ሕቡራት ሃገራት ከምዝተቀበሎን ወሃቢ ቃል ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ዓርቢ ኣፍሊጡ። ብመሰረት’ዚ፣ ነቲ ከይዲ ንምቅጻል ተግባራዊ ውጥናት ጀሚሮም ከምዘለውን ስለ ርትዒን ፍትሒን ተባሂሉ እዞም ተበግሶታት ምቅጻሎም ኣገዳሲ ምዃኑን ተገሊጹ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%89%A3%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%9D%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B5-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5821482.html"} {"headline":"ኣሜሪካ: ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምብዳህ ተወሳኺ 52 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ምሃባ ተገሊጹ","content":"ኣሜሪካ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምብዳህ ዘሕግዝ ተወሳኺ 52 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዝሃበት ተገሊጹ። እቲ ቅልውላው ካብ ዝተጀመረሉ ጊዜ ጀሚሩ፣ ኣሜሪካ 153 ሚልዮን ዶላር ድጋፍ ኣበርኪታ ኣላ። ቤት ዕዮ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ \"እዚ ካብ ህዝቢ ኣሜሪካ ዝተዋሃበ ልግሲ፣ ዓለምለኸ መሻርኽቲን ትካላትን ነቶም ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘለው 4.5 ሚልዮን ከምኡ'ውን ናብ ሱዳን ዝተሰደዱ 62 ሽሕ ሰባት ንምሕጋዝ ክጥቀሙሉ እዮም\" ይብል። \"በቲ ኣብ ትግራይ ዝራኣይ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣዚና ተሻቂልና ኣለና\" ዝብል እቲ መግለጺ፣ \"መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወግዒ ንዝተዛረቦ ተገዳስነትን ስዳሮታትን ኣፍልጦ እናሃብና፣ ማሕበረሰብ ዓለም፣ ዝያዳ ንጥፈታት ከምዝጽበ፣ ካብ ወጻኢ ሃገራት ናብ ዓዲ ኣብ ልዕሊ ዝኣቱን ኣብ ልዕሊ ትካላት ረድኤት ዝጥቀሙሉ መሳርሕታትን ዝተነበረ እገዳ ንከልዕሎን፣ ሰራሕተኛታት ረድኤት ብዘይደረት ንክንቀሳቀሱ ንክፈቅድን\" ሓቲቱ። እቲ መግለጺ \"ህጹጽ፣ ሙሉእ፣ ውሑስን ዘይተደረተ ምንቅስቃስ ትካላት ረድኤትን ሰራሕተኛታትን፣ እዋናዊ፣ ኣብ ጠለብ ዝተመስረተ ቀረብ ንምፍጻምን በቲ ውግእ ንዝተጎድኡ ንክነርክበሎምን ሓጋዚ እዩ\" ይብል። ‘ፖለቲካዊ ፍታሕ ምስ ዘይንበር፣ ሰብኣዊ ኩነታት እናሓመቀ ከምዝኸድ’ ዝገልጽ ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ፣ ‘ምቁራጽ ተጻብኦ፣ ሰራዊት ኤርትራ ብህጹጽ ምውጻእ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሓይልታት ክልል ኣምሓራ ካብ ትግራይ ምውጻእ ቀዳማይ ኣገዳሲ ስጉምቲ እዩ’ ኢሉ። ‘ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ህወሓት፣ ኣብ ሰራዊት ኤርትራ ይኹን ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ብዘየግድስ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፣ ግፍዒን መግስሃስቲ መሰላትን ዝፈጸሙ ክሕተቱ ኣለዎም’ ይብል ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ። ‘ዩናይትድ ስቴትስን ማሕበረ ሰብ ዓለምን፣ ነቲ ኩነታት ብቀረባ ይከታተልዎ ኣለው፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝኣተዎ ቃል ንክትግብር፣ ነጻ፣ ዓለም ለካዊን ውሽጣዊን መስርሕ ምጽራይ ንክፍጸምን፣ ፈጸምቲ ግፍዒ ንክሕተቱን ኣዘኻኺሩ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%89%85%E1%88%8D%E1%8B%8D%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%88%85-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B3%E1%8A%BA-52-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8B%B6%E1%88%8B%E1%88%AD-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%88%9D%E1%88%83%E1%89%A3-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5821369.html"} {"headline":"ትካል ህጻናት ኣድህን ሕ\/ሃ ኣብ ክልል ትግራይ ይቅጽል ዘሎ ቅልውላው ከምዘሻቐሎ ገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ይቅጽል ዘሎ ቅልውላው ፣ ብሕልፊ ኣብ ልዕሊ ቆልዑ የሕድሮ ዘሎ ጽልዋን ዘድልዮም መሰረታዊ ቀረባትን ከምዘሻቀሎ ትካል ህጻናት ኣድህን ሕ\/ሃ (ዩኒሴፍ) ሎሚ ዓርቢ ኣፍሊጡ። ዩኒሴፍ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምውላዕ ውግእ፣ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ቆልዑን ደቂ ኣንስትዮን ዝተፈጸሙ ቅትለታትን ጾታዊ መግሰስቲን ግልጺ ይወጹ ኣለው፣ 20 ቆልዑ ዝሓለፈ ሕዳር ኣብ ማርያም ደንጎላት ምቅታሎም ንስድራቤታትን ሕብረተሰብን ቃንዛ ኮይንዎም ይቅጽል ኣሎ ይብል ። እቲ ትካል ወሲኹ \"ኣብያተ ትምህርቲን ትካላት ጥዕናን ተዘሪፎም፣ ተሰሪቆም፣ ዕጡቃትን ጉጅለታትን ይነብሩ ኣለው። ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና ኮነ ተባሂሉ መጥቓዕቲ ምፍጻሙን እቶም ኣገልግሎት ዝልግሱ ትካላት ንድልየት ህዝቢ ከማልኡ ኣይካኣሉን\" ይብል ። ዩኒሴፍ ኹናትን ስርቂን ንኣስታት 60 ሚእታዊት ማእከላት ጥዕና ክልል ትግራይ ካብ ጥቅሚ ወጻኢ ገይርዎም ኣሎ ኢሉ ኣሎ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%85%E1%8C%BB%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%B5%E1%88%85%E1%8A%95-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%AD%E1%89%85%E1%8C%BD%E1%88%8D-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%89%85%E1%88%8D%E1%8B%8D%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%BB%E1%89%90%E1%88%8E-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5821364.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ንላዕለዎት መራሕቲ ህውሓት ኢዶም ክህቡ ናይ መወዳእታ ዝበሎ መጸዋዕታ ምትሕልላፉ ተገሊጹ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ላዕለዎት ወትሃደራዊን ፖለቲካዊን መራሕቲ ህወሓት፣ ኢዶም ንክህቡ ናይ መወዳእታ ንዝበሎ መጸዋዕታ ምትሕልላፉ ተገሊጹ። ናይ ቤት ፍርዲ መትሐዚ ትእዛዝ ንዘይወጸሎም ተወለድቲ ትግራይ ግና፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ናብ ሰላማዊ መነባብረኦምን ናብ መንበሪኦምን ንክምለሱ ጻውዒት ኣቅሪቡ። ብመሰረት’ዚ መጸዋዕታ፣ እቶም ናብ መንበሪኦም ዝምለሱ ሰላማዊያን ሰባት፣ ብሕጊ ከይተሓተቱ ሰላማዊ መነባብረኦም ክመርሑ ይኽእሉ እዮም ይብል። እቲ ብቤት ጽሕፈት ቀ\/ሚ ዝተዘርገሐ መጸዋዕታ ወሲኹ ከቢድ ገበን ኣለዎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩን ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ዝወጸሎም ላዕለዎት ፖለቲካዊን ወትሃደራዊን መራሕቲን ግና ኢዶም ንክህቡ መንግስቲ ጸዊዑ ይብል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%8B%B6%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%88%85%E1%89%A1-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8B%88%E1%8B%B3%E1%8A%A5%E1%89%B3-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%8E-%E1%88%98%E1%8C%B8%E1%8B%8B%E1%8B%95%E1%89%B3-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%88%95%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%8D%89-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5821350.html"} {"headline":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኦሮምያ ልዕልና ሕጊ ክረጋገጽ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ","content":"ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ኦሮምያ ውሳነ ቤት ፍርዲ ንክኽበርን ልዕልና ሕጊ ንክረጋገጽን፣ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ተደጋጋሚ መጸዋዕታ ኣቅሪብና መልሲ ኣይረኸብናን ኢሉ። እቲ ኮምሽን ትማሊ ብመሰረት ዝዘርገሖ መግለጺ \"ኣብ ጂማ ተኣሲሮም ዘለውን ብቤት ፍርዲ ብዋሕስ ንክፍትሑ ዝተፈቀደሎም ኣቶ መሓመድ ዴክሲሶን ካልኦትን ክሳብ ሎሚ ኣይተፈትሑን\" ይብል። ይኹን’ምበር፣ እቲ መግለጺ ድሕሪ ምውጽኡ፣ ሓደ ካብ’ቶም እሱራት ዝኾኑ ዶ\/ር ወንድሙ ለገሰ ምፍተሖም ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ አዲስ አበባ ሓቢራ። ብዝተሓሓዝ ዜና ፣ ኣብ ክልል ሃራሪ ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ዝሳተፉ ፓርቲታት፣ ቅሩባት ከምዝኾኑ ኣፍሊጦም፣ ኢዜማን ኣብን ግና ብርክት ዝበሉ ሕጹያት ኣመዝጊቦም ነይሮም፣ ብሰንኪ ፍርሃት ግና ውሳነኦም ከምዝቀልበሱ ኣፍሊጦም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8D%E1%8A%93-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8A%AD%E1%88%A8%E1%8C%8B%E1%8C%88%E1%8C%BD-%E1%88%98%E1%8C%B8%E1%8B%8B%E1%8B%95%E1%89%B3-%E1%8A%A3%E1%89%95%E1%88%AA%E1%89%A1\/5821341.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተሓዙ ሰባት ብብዝሒ ይውስኽ ምህላው ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ፣ ህዝቢ ንለበዳ ኮቪድ 19 ዝህቦ ትኹረት ምዝንጋዕ ዝራኣየሉ ስለዝኾነ ጥንቃቀ ምግባር ንክቅጽል ሰብ ሞያ ጥዕና ይምዕዱ ኣለው። ካብ ሆስፒታል ጉደር ዝኾኑ ዶ\/ር ናሆም ተሾመ፣ ኣብ’ቲ ንሶም ዝሰርሕሉ ስፍራ በዝሒ ሕሙማት ኮቪድ 19 ከምዝወሰኸ ገሊጾም። ሚኒስትር ጥዕና ዶ\/ር ልያ ከበደ ብወገነን፣ ትግባረ መምርሒ ምክልኻል ኮቪድ 19 ንምርግጋጽ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ሓቢርካ ምስራሕ ከምዘድሊ ጠቂሰን። ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን 9,329 ሰባት ብኮቪድ 19 ምትሓዞምን፣ ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪቃ መበል ሓሙሻይ ደረጃ ተሰሪዓ ከምዘላ ተሓቢሩ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%89%A5%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%93%E1%8B%99-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8B%8D%E1%88%B5%E1%8A%BD-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5821331.html"} {"headline":"ቃለ መሕተት ምስ ክልተ አባላት ኣመራርሓ ባይቶ ይኣክል ኣሜሪካ","content":"\"ባይቶ ይኣክል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ’’ ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ሕጋዊ ስብእና ዘለዎ ንፍትሒ፣ንሰብኣዊ መሰላትን ዴሞክራስን ዝሕለቕ ናይ ኤርትራዊያን ውዳበ እዩ። እቲ ምንቅስቓስ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ይካየድ ዘሎ ግጭት ብዘይውዓል ሕደር ጠጠው ከብሎን ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወፁን ዝፅውዕ ደብዳበ ናብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ፅሒፉ ኣሎ። እቲ ውዳበ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ስቪላትን ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊያን ስደተኛታትን ተፈፂሙ ዝብሃል መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ብነፃ ወገን ክምርመር እውን ሓቲቱ ኣሎ ። ብዛዕባ እዝን ካልኦትን ተዛመድቲ ጉዳያትን ሓሳቦም ከካፍሉና ንክልተ ኣባላት ኣመራርሓ ባይቶ ይክኣሎ ዓዲምና ኣለና። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%88%95%E1%89%B0%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%AD%E1%88%93-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8B%AD%E1%8A%A3%E1%8A%AD%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-\/5819939.html"} {"headline":"ሱዳን: ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምስሕሓብ ንምፍታሕ መንጎኝነት አርባዕተ አካላት ሓቲታ","content":"ሱዳን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዘይምቅዳው ንምፍታሕ ንንመንጎኝነት ኣርባዕተ ኣካላት ብዕሊ ሓቲታ ። ተንተንቲ ወጥሪ ክልቲኤን ሃገራት ብእዋኑ መፍትሒ እንተዘይረኪቡ ካብአን ሓሊፉ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ክሰፍሕ ይኽእል እዩ ክብሉ ይዛረቡ ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8B-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%95%E1%88%93%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%88%95-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8E%E1%8A%9D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A0%E1%88%AD%E1%89%A3%E1%8B%95%E1%89%B0-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%89%B2%E1%89%B3\/5820041.html"} {"headline":"ፕረ.ባይደን ንጉዳይ ክልል ትግራይ ብዝምልከት ንሰነተር ኩንስ ናብ ኢትዮጵያ ክልእኹ'ዮም","content":"ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፣ ንጉዳይ ክልል ትግራይ ብዝምልከት ናብ አዲስ አበባ ዝላኣኹ ኣሜሪካዊ ሴነተር ክሪስ ኩንስ፣ ምስ ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ከምዝዘራረቡ ተገሊጹ። ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣሜሪካ ጃክ ሱሊቫን ብመሰረት ዝዘርገሖ መግለጺ \"ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፣ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኸሰተ ሰብኣዊ ቅልውላውን መግሃስቲ መሰላትን ከምኡውን እቲ ቅልውላው ንቀርኒ ኣፍሪቃ ዘስዕቦ ሓደጋን ዓሚቅ ሻቅሎት ከምዝፈጠረሎም\" እቶም ሰኔተር ንቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ክገልጹሎም እዮም ይብል። መግለጺ ዋይት ሃውስ ሴነተር ክሪስ ኩንስ እግረ መገዶም ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ተራኺቦም፣ ብዛዕባ ሓባራዊ ረብሓ ሰላምን ምዕባለን ክዝትዩ እዮም ይብል ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%8B%B0%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%8A%90%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A9%E1%8A%95%E1%88%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%A5%E1%8A%B9-%E1%8B%AE%E1%88%9D\/5819906.html"} {"headline":"ትካል ረድኤት ኖርዌይ ሰብኣዊ ኩነታት ክልል ትግራይ ከምዘሻቅሎ ይገልጽ","content":"ሰራሕተኛት ረድኤት ናብ ረጊጾምዎም ዘይፈልጡ ከባቢታት ትግራይ ብዝኣተው ቁጽሪ፣ \"ብጥምየትን ሕማማትን ዝሳቀዩ ሰባት ብበዝሒ ጋህዲ ይወጽእ ከምዝጀመረ\" ተገሊጹ። ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ክልተ ሰሙናት ናብ ሸራሮ ካብ ሞንጎ ዝኣተው 37 ሽሕ ተፈናቀልቲ፣ ዝማሰኑ ህጻናትን ነብሰጾራትን ከምዝርከብዎም ትካል ተራድኦ ኖርዌይ አፍሊጡ። እቲ መግለጺ ወሲኹ \"ኣብ ሸራሮ ዘሎ ኩነታት ከቢድ ከምዝኾነ፣ ስድራቤታት ዕለታዊ ናብ ሸራሮ ይመጻ ኣለዋ፣ እንተኾነ፣ ንሰሙናት ሓገዝ ኣይረኸባን ዘለዋ\" ይብል። ዳይረክተር ትካል ረድኤት ኖርዌይ ያን ኤግላንድ \"ሰብኣዊ ሓገዝ ብህጹጽ እንተዘይቀሪቡ፣ ሰባት ምሟት ክጅምሩ’ዮም\" ክብሉ ኣጠንቂቆም ኣለው። እቲ ትካል \"እቲ ህዝቢ፣ ብሰንኪ ጾታዊ ዓመጽ፣ ቅትለትን ውግእን ሃዲሞም ከምዝቀነዩን ናብ ሸራሮ ምስ ዝምለሱ ድማ ተስፋ ዘቁርጽ ነገር ከምዝተጸበዮምን ገሊጾምልና\" ይብል ። ኣብ ዝዓነው መዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽን ሽመልባን ቀዲሙ ዝኣተወ ትካል ረድኤት ከምዝኾነ ዝገልጽ ትካል ተራድኦ ኖርዌይ \"ቅድሚ’ቲ ውግእ ኣብ ክልቲኤን መዓስከራት ኣስታት 33 ሽሕ ኤርትራዊያን ከምዝነበሩ፣ ሎሚ ገሊኦም ናብ ውሑስ ስፍራ፣ ገሊኦም ብኣስገዳድ ናብ ኤርትራ ከምዝተወሰዱን\" ጠቂሱ'ሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ’ቶም መዓስከራት ዋላ ሓደ ስደተኛ ከምዘየለን፣ ኣብ’ቲ ከባቢ ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝሃደሙ ሰለስተ ሽሕ ተመዛበልቲ ከምዝረኸበን አፍሊጡ ኣሎ። እቲ ትካል ወሲኹ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሰባት ኣብ ዝሃለውዎ ይሃልው፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክረኽቡ ክንዲ ዝኻኣሎ ንክሰርሕ’ሚስተር ኤግላንድ ጸዊዖም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%A8%E1%8B%B5%E1%8A%A4%E1%89%B5-%E1%8A%96%E1%88%AD%E1%8B%8C%E1%8B%AD-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%BB%E1%89%85%E1%88%8E-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%BD\/5819861.html"} {"headline":"ሂማን ራይትስ ዎች ኣብ የመን ኣብ መፅንሒ ፍልሰተኛታት ንዝወረደ ባርዕ ተሓተቲ ዓማፂ ሑቲ እዩ ኢሉ","content":"ዓለምለኸ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂማን ራይትስ ዎች ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ የመን ሰንዓ ኣብ መፅንሒ ፍልሰተኛታት ንዝሞቱ ኢትዮጵያዊያን ንዓመፅቲ ሑቲ ወቒሱ።ሂማን ራይትስ ዎች ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ዓመፅቲ ሑቲ ዘውረዱዎ መጥቓዕቲ ሕቡራት ሃገራት ንክምርመሮ ሓቲቱ ኣሎ። ናይቲ ባርዕ መንቀሊ ብዝምልከት ካብቲ ሓደጋ ንዘምለጡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ጠቒሱ Human Rights Watch መግለፂ ኣውፂኡ ኣሎ።ኣብቲ መፅንሒ ማእኸል ዘሎ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ብዝምልከት ተቓውሞ የስምዑ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ሓለውቲ ናይቲ ማእኸል ንዕጡቓት ሑቲ ከምዝፅውዑዎም እቶም መሰኻኽር ገሊፆም። እቶም ዕጡቓት ንቶም ፍልሰተኛታት ከም ዝቐጥቀጡዎምን መንቀሊ ሓዊ ዝኾነ ተባራዒ ከምዝደርበዩሎምን እቲ ፀብፃብ ሓቢሮም። ኣብ Human Rights Watch ንጉዳይ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን እትከታተል ናዲያ ሃርድማን እቲ ዝወረደ ባርዕ ኣብ የመን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ዝወርድ ዘሎ ሓደጋ ምጥፋእ ህይወት መርኣያ እዩ ኢላ። ወሃቢ ቃል ሑቲ ሚሊሽያ መሓመድ ዓብዱል ሰላም ነቲ ሓደጋ ተሓታቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት IOM እዩ ኢሉ ኣሎ።እቲ ትካል ብዘይ ሕጊ ናብ የመን ንዝኣተው ክሕግዝ ኣለዎ ኢሉ ብምውሳኽ። ዕጡቓት ሑቲ ነቲ ገበን ተሓታቲ እዮም ዝበለ እቲ ፀብፃብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣብ የመን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያዊያን ንዝወረደ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ክምርምሮ ኣለዎ ኢሉ። በቲ ባርዕ በዝሒ ዝሞቱ ኢትዮጵያዊያን ኣይፍለጥን። ሓደ ነባሪ ሰንዓ ግን ክሳብ ሕዚ 43 ኢትዮጵያዊያን ከምዝተቐበሩ ገሊፁ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኩነታት ኢትዮጵያዊያን ንከታተሎ ኣለና ኢሉ ኣሎ።ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ድሕሪ ሰለስተ ማዕልታት ናይ 43 ሰባት ስርዓተ ቀብሪ ምፍፃሙ ኣረጋጊፆም። ትማሊ እውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ የመን ዝነበሩ 143 ኢትዮጵያዊያን ካብ ኤደን ናብ ሃገር ምምላሶም ምንስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣፍሊጡ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/human-rights-watch-accused-houthi-rebels-for-arson-that-killed-tens-of-people-in-a-migrant-center\/5819827.html"} {"headline":"ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕ\/ሃ ንኩነታት ትግራይ ምስ ኢትዮጵያ ኮይኑ ንምጽራይ ተሰማሚዑ","content":"ሓላፊት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባችለት \"ገበን ኹናት ተፈጺሙሉ ይኾን እዩ\" ኢለን ዝጠቀሰኦ ኩነታት ትግራይ፣ ነቲ ካብ ኢትዮጵያ ብሓባር ነጻርዮ ንዝብል ጠለብ ተሰማሚዐናሉ። ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ንትግራይ የማሓድር ዝነበረ ህወሓትን፣ ኣሻሓት ሰባት ቀቲሉ ኣማኢት ኣሻሓት ካልኦት ድማ ካብ መነባብርኦም ንክፈናቀሉን ንክስደዱን ኣገዲዱ እዩ። ሕቡራት ሃገራት እንተኾነ ኣብ ትግራይ ግፍዒታት ተፈጺሙ እዩ ብምባል ምልክት መጠንቀቅታ ኣቃሊሑ እዩ። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከንን ብወገኖም \"ኣብ ትግራይ ምጽራይ ዘርኢ\" ተፈጺሙ ከምዝበሉ ዝዝከር እዩ። ኢትዮጵያ ንመግለጺ ብሊንኪን ነጺጋቶ’ያ። ሓላፊት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባችለት፣ ነቲ ካብ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝምወል ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ዘቅረቦ ጠለብ \"ሓቢርና ነጻርዮ\" ተሰማሚዐናሉ ኣለዋ። ምስ መግለጺ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝቃዶ መግለጺ ዝውጸአ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝምወል ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ \"መባእታዊ ሪፖርት 'ወትሃደራት ኤርትራ ንበዝሖም ዘይተነጸረ ሰላማዊያን ሰባት ኣብ አኽሱም ከምዝቀተሉ’ ሓቢሩ እዩ\" ከምዝበለ ዝዝከር እዩ። \"እቲ ሪፖርት ወሲኹ፣ ወትሃደራት ኤርትራ ነቲ ቅትለት አብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ኣብ ኣኽሱም ዝፈጸሙ፣ ቅድም ኢሉ ብሰራዊት ህወሓት ንዝተፈጸሞም መጥቃዕቲ ሕነ ንምፍዳይ ኢሎም ከምዝኾነ\" ገሊጹ ነይሩ። \"ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ንክወጹ’\"ሕቡራት ሃገራትን ኣሜሪካን ከምዝሓተቱ ይዝከር። መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ንህላዌ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣይቅበሉን። ብርክት ዝበሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ግና፣ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ከምዘለው ገሊጾም እዮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9D%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%95%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AE%E1%8B%AD%E1%8A%91-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8C%BD%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%88%9B%E1%88%9A%E1%8B%91-\/5819845.html"} {"headline":"ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብዘይካ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ኩሎም ከባቢታት ከምዝካየድ ተገሊጹ","content":"ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ፣ ብዘይካ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ሙሉእ’ታ ሃገር ከምዝካየድ ኮምሽን ፌደራል ፖሊስ ኣፍሊጦም። እቶም ኮምሽን ከምዝገለጽዎ ጸገም ጸጥታ ኣብ ዝራኣየሎም ዝነበሩ ምዕራብ ወለጋን ቤንሻንጉል ጉሙዝን እቲ ምርጫ ብሰላም ክካየድ ዘኽእል ስርሓት ይካየዱ ምህላው ሓቢሮም ። እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ኮምሽን ፌደራል ፖሊስ ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ’ታ ሃገር ክሕደት ሃገር ፈጸሞም ዝተባሃሉ 72 ሰባትን ኣብ ጭፍጨፋ ማይ ካድራ ብቀጥታ ተሳቲፎም ዝተባሃሉ 37 ሰባት፣ ትማሊ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣትዮም ኣለው ኢሎም ። እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ምስ ሕጹያትን ተወዳደርቲን ተኣሳሲሩ ንዝቀረቡ 50 ጥርዓናት ፍታሕ ከምዘነጸረ ቦርድ ምርጫ ኣፍሊጡ። ተወዳደርቲ ፓርቲታት ግና ሎሚ’ውን ፍታሕ ዝጽበዩ ጸገማት ኣለው ይብሉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A9%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5819803.html"} {"headline":"ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ካብ ትግራይ ንክወጹ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጸዊዖም","content":"ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ገብረመስቀል ካሳ \"ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ የለን ዝብል እንተሃልዩ፣ክምርመር እዩ ዝግበኦ፣ ኣብ ትግራይ ናይ ኤርትራ ሰራዊት ኣሎ’ዩ፣ ናይ ክልል ኣምሓራ ፍሉይ ሓይሊን ምልሻን ኣሎ’ዩ፣ ስለዚ ብቅልጡፍ ካብ’ዚ ክልል ንክወጹ ኢና ነተሓሳስብ\" ኢሎም ። ንሶም ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ \"እቲ ከምኡ ዝብል ኣብ ትግራይ እንተሃልዩ፣ ግመል ሰሪቅካ ጎምባሕ ጎምባሕ እዩ ዝኾኖ፣ ሚድያታት ዓለም’ውን ብግልጺ ዝረኣይዎ፣ ህዝቢ ትግራይ’ውን ብዓይኑ ዝራኣዮ ስለዝኾነ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘብጽሕዎ ሓደጋን ዝፈጸምዎ ገበንን ብወግዒ ይቅረታ ሓቲቶም ካብ መሬት ትግራይ ንክወጹ እየ ዝሓትት\" ኢሎም። አብዚ ቀረባ ንድምጺ ኣሜሪካ ቃለ ምልልስ ዝሃቡ ኣብ ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ዳይረክተር ኢንዶክትርነሽን ሜጀር ጀነራል መሓመድ ተሰማ \"ሰራዊት ኤርትራ፣ ዶብ ሰጊሩ ብዛዕባ ይፍጽሞ ኣሎ ዝባሃል መግሃስቲታት መልሲ’ዶ ክህቡና?\" ዝብል ሕቶ ቀሪቡሎም \"ንሳቶም ንጉልባብ ዝጥቀሙሉ እዩ’ምበር፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ነቲ ጁንታ ንምውቃዕ ዘኽእል ሓይሊ ነይሩዎ እዩ፣ ሓቂ እዩ ነቲ መጥቃዕቲ ንሳቶም እዮም ጀሚሮምዎ። ካልእ ሰበብ ክፈጥሩ ግድን ስለዝነበረ እዩ ነዚ ምኽንያት’ዚ ዝብሉ ዘለው። ስለዚ ርግጸኛ ኮይነ እየ ዝነግረኩም ዘለኹ፣ ኣብ ትግራይ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ይፍጽም ዘሎ ሰራዊት መከላኸሊ ኢትዮጵያ እዩ\" ኢሎም ነይሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ አቶ ጌታቸው መንግስቴ ብወገኖም ‘ናብ ክልል ትግራይ ዘእተናዮ፣ ዘዋፈርናዮ ሓይሊ የለን። ራያን ከባቢኡን፣ ወልቃይትን ከባቢኡን ኣብ ታሪኽ ናይ ትግራይ ኮይኖም ኣይፈልጡን’ ከምዝበሉ ዝዝከር’ዩ። መንግስቲ ኤርትራ ግና ‘ውግእ ናይ ትግራይ፣ ናይ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ጉዳይ’ዩ’ ካብ ምባል ሓሊፉ ብዛዕባ ህላዌ ሰራዊቱ ኣብ ትግራይ ዝሃቦ ወግዓዊ ግብረ መልሲ ዛጊድ የለን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%8B%88%E1%8C%B9-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8A-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8C%BD%E1%88%95%E1%8D%88%E1%89%B5-%E1%8C%8A%E1%8B%9A%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%96%E1%88%9D-\/5818444.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣስታት 400 ሓደሽቲ ምሩቓት ሓካይም ስራሕ ክረኽቡ ብዘይምክኣሎም ቅሬታኦም ኣስሚዖም","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተመረቑ ኣስታት 400 ሓካይም ኣብ ውሽጢ ሃገር ተቖፂሮም ክሰርሑ ከምዘይክኣሉ ብምግላፅ ቅሬትኦም ኣስሚዖም። እቶም ሓኻይም ጥርዓኖም ንንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለ ሰለማዊ ሰልፊ ብምክያድ ንዝምልከቶ ኣካል ንምቕራብ እንተፈተኑ እውን ሰማዒ ከምዝስኣኑ ይዛረቡ። ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ሓዊሱ ዝምልከቶም ሰበስልጣን እቲ ክልል ንምርካብ ዝተገበረ ፃዕሪ እንተዘይተዓወተ እውን ሚኒስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶክተር ሊያ ታደሰ ግን እቲ ፀገም ተፈጢሩ ዘሎ ብሰንኪ ሕፅረት በጀት እዩ ኢለን። ንመጻኢ እቶም ሓካይም ፈጠርቲ ስራሕ ክኾኑ ወይ ድማ ናብ ካሊእ ሃገር ከይዶም ክሰርሑ ኩነታት ከምዝጠዓዓመሎም ገሊፀን ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-400-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%88%BD%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%88%A9%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%88%9D-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8A%AD%E1%88%A8%E1%8A%BD%E1%89%A1-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8A%A3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%89%85%E1%88%AC%E1%89%B3%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%9A%E1%8B%96%E1%88%9D\/5818406.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: 44 ወረዳታት ክልል ሶማል ብዝኸፍአ ደርቂ ከምዝተጠቕዓ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማሌ ካብ ዝርከባ 93 ወረዳታት እተን 44 ብዝኸፍአ ድርቂ ከምዝተጠቕዓ ተገሊጹ።ነቲ ድርቂ ንምምካት ናይቲ ክልል መንግስቲ፣ፓርቲ ብልፅግና እቲ ክልል፣ሰራሕተኛታት መሪሕነትን መንግስቲ ናይቲ ክልልን ምሕጋዞም ተፈሊጡ ኣሎ። ሓደጋ ናይቲ ድርቂ እናኸፍአ እንተድኣ ከይዱ ንልምዓት ዝተመደበ በጀት ክሳብ ምዕፃፍዝበጽሕ ስጉምቲ ክውሰድ ከምዝኽእል ናይቲ ክልል ኮሚሽነር ኮሚሽን መሪሕነት ስግኣትን ሓደጋን ዶክተር ዓብዱልፋታሕ ሼኽ ቢሊ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-44-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%8A%B8%E1%8D%8D%E1%8A%A0-%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%A0%E1%89%95%E1%8B%93-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5818364.html"} {"headline":"ርእይቶ ብኢትዮጵያዊያን ዝተጸውዐ ሰልፊ ዝተሳተፉ ኤርትራዊያን","content":"ኤርትራውያን ነበርቲ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣመሪካ፥ ኣብቲ ብኢትዮጵያውያን ዝተጸውዐ፡ ንጣልቃ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዝበልዎ ዝቃወም ሰልፍታት ክሳተፉ ቀንዮም ኣለዉ። ኣቐድም ኣቢሉ ኣመሪካ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ግጭት ትግራይ ምስታፉ እሙን ሓበረታ ኣለኒ ምባላ ዝዝከር ኮይኑ፡ እዞም ኤርትራውያን ግን እቲ ሓቀኛ ስእሊ ካልእ'ዩ ይብሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%89%A5%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%B8%E1%8B%8D%E1%8B%90-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%B3%E1%89%B0%E1%8D%89-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95\/5817107.html"} {"headline":"ተወከልቲ ኦፌኮ ኣብ ገለ ዞባታት ምዕራብ ኦሮምያ ኣብያተ ጽሕፈቶም ከምዝተዓጸወ ይገልጹ","content":"ወከልቲ ኦሮሞ ፌደራላዊ ኮንግረስ ኣብ ገለ ዞባታት ምዕራብ ኦሮምያ ዝነበራ ኣብያተ ጽሕፈቶም ከምዝተዓጸው ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም። እቶም ወከልቲ ወሲኾም \"ብርክት ዝበሉ ወከልቲ እቲ ፓርቲ፣ ደገፍቲን ኣባላት መሪሕነትን ስለዝተኣሰሩ፣ ንርከበሉ ኩነታት ኣብ ምርጫ 2013 ንምስታፍ ዘኽእል ኣይኮነን\" ኢሎም አለው። \"እቶም ዝተኣሰሩ ምስ ዝፍትሑ፣ ዝተዓጸዋ ኣብያተ ጽሕፈት ምስ ዝኽፈታ፣ ዲሞክራሲያዊ ባይታ ምስ ዝሰፍሕ፣ ምፍርራሕን ምሕናይን ምስ ዝቅንስ ግና ኣብ’ቲ ምርጫ ምስታፍ ኣይከብደናን’ ይብሉ። ሓለፍቲ ፓርቲ ብልጽግና’ቶም ከባቢታት ብተረኦም \"ቅሬታ ተወከልቲ ኦፌኮ፣ መሰረት ዘይብሉ እዩ፣ ዝተኣሰረ ኣባልን መሪሕነትን ኦፌኮ የለን፣ ብብልጽግና ዝተዓጸወ ቤት ጽሕፈት’ውን የለን\" ተሓቢሩ ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%8A%A8%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%8A%A6%E1%8D%8C%E1%8A%AE-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%88%E1%88%88-%E1%8B%9E%E1%89%A3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AB%E1%89%B0-%E1%8C%BD%E1%88%95%E1%8D%88%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8C%B8%E1%8B%88-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B9\/5817042.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተሓዙ ብብዝሒ ይውስኽ ምህላው ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ መዓልታት፣ ብዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ብ20 ሚእታዊት ከምዝወሰኸ ሚኒስትሪ ጥዕና’ታ ሃገር ኣፍሊጡ። ብመሰረት’ቲ ቤት ዕዮ፣ ብኮቪድ 19 ዝተታሓዙ ሰባት 17 ሚእታዊት ከምዝኾነን፣ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት 12 ሽሕ ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ምትሓዞምን ተሓቢሩ'ሎ። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ቀዳም ብደረጃ ሃገር ዝጀመረ ክታበት ጸረ ኮቪድ 19 ሎሚ’ውን ቀጺሉ ኣሎ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%92-%E1%89%A5%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%93%E1%8B%99-%E1%8B%AD%E1%8B%8D%E1%88%B5%E1%8A%BD-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5817029.html"} {"headline":"ኣቶ ዓንዶም ገብረስላሰ፡ ኣብ ማዕከናት ዜና ወጺኤ ሓሳበይ ስለዝገለጽኩ፡ ካብ ሓላፍነተይ ከልግስ ተገይረ ኢሉ","content":"ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ኮሚኒኼሽን ክልል ትግራይ ዝነበረ ኣቶ ዓንዶም ገብረስላሰ፡ ኣብ ማዕከናት ዜና ወጺኤ ሓሳበይ ስለዝገለጽኩ፡ ካብ ሓላፍነተይ ከልግስ ተገይረ ኢሉ። ኣብዚ ጉዳይ ካብ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምላሽ ንምርካብ ብተደጋጋሚ ዝተገብረ ጻዕሪ ከምዘይሰለጠ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ከተማ መቐለ ሓቢሩ'ሎ። ብዘይካዚ ካብ ኣቶ ዓንዶም ብተወሳኺ፡ ቪኦኤ ካብ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ እሙናት ምንጭታት ከምዝፈለጦ እንተኾይኑ ሓላፊ ቢሮ ኮንስትራክሽን፣ መንገድን ትራንስፖርትን ኢንጂነር ኣሉላ ሃብተኣብ`ውን ካብ ስልጣኑ ተባሪሩ'ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%8B%93%E1%8A%95%E1%8B%B6%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%88%8B%E1%88%B0-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9B%E1%8B%95%E1%8A%A8%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8B%9C%E1%8A%93-%E1%8B%88%E1%8C%BA%E1%8A%A4-%E1%88%93%E1%88%B3%E1%89%A0%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%88%88%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%88%88%E1%8C%BD%E1%8A%A9-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8D%E1%8A%90%E1%89%B0%E1%8B%AD-%E1%8A%A8%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%B5-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%8B%AD%E1%88%A8-%E1%8A%A2%E1%88%89\/5815385.html"} {"headline":"ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ እትህቦ መብዛሕቲኦም ሓገዝ ፕሮግራማት ፀጥታ ከምዘይቕፅል ኣፍሊጣ","content":"ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ትግራይ ይፍፀሙ ዘለው ተግባራት ምስ ምፅናት ዘርኢ ኣተሓሒዞም ምስ ገለፁዎ ድሕሪ ማዕልታት ዋሽንግተን ንመብዛሕቲኦም ዘፈር ድሕነት ንኢትዮጵያ ዝወሃብ ሓገዝ ደው ንምባል ምውሳኑ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ኣፍሊጡ። ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኔድ ፕራይስ ዩናይትድ ስቴትስ ምስ ዓለምለኸ ጥዕናን ውሕስነት ምግብን ዝተኣሳሰሩ ሓዊሱ ዝተወሰኑ ዓይነታት ረድኤት ንምቕፃል እንተወሰነት እውን ካልኦት ዝወሃቡ ሓገዛትን መብዛሒቲኦም ኣብ ዘፈር ፀጥታ ዘለው ፕሮግራማት ዘሎ ደውታ ክቕፅል እዩ ኢሎም። ‘’ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሃዋህው ኣብ ግምት ብምእታው ጠጠው ኢሉ ዝነበረ መብዛሒኦም ኣብ ዘፈር ፀጥታ ዘተኮረ ናይ ሓገዝ ፖግራማት ንዘይምልዓል ወሲና ኣለና’’ ኢሎም ኣብ ዝ ሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ። ብሊንከን ዝሓለፈ ረቡዕ ንኮንግረ ኣብ ዝ ሃቡዎ ቃለ ምስክርነት ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ንዘሎ ተፃብኦ ጠጠው ክተብሎ ፀዊዖም ኣለው። ኣሽሓት ሰባት ሞይቶም ዓሰርተታት ኣሽሓት ድማ ካብ መንበሪኦም ብሓይሊ ተመዛቢሎም፤ኣብቲ ክልል ሕፀረት ምግቢ፣ማይን መድሓኒትን ኣጋጢሙ ኣሎ። ብሊንከን ዝሓለፈ ሓሙስ ብዛዕባ ኣገዳስነት ዓለምለኸ ምርመራ ኣብ ትግራይ ተፈፂሞም ዝብሃሉ መግሃስትታት ሰብኣዊ መሰላት ምስ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒ ጉተረዝ ምዝርራቦም ምንስትሪ ጉድያት ወፃኢ ዝሓለፈ ዓርቢ ገሊፁ ኣሎ። እቲ መግለፂ ብምውሳኽ ኣብቲ ዝርርቦም ‘’ነቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍታሕ፣ግፍዕታት ከብቅዕን ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምስፋንን ዝሕግዙ ዞባውን ዓለምለኻዊን ፃዕርታት ክሕይል’’ ብሊንከ ፀዊዖም። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሕቡራት መንግስታት ወታደራት ኤርትራ ኣብ መላእ ክልል ትግራይ ስርሒት የካይዱ ከምዘለውን ንቶም ግፍዕታት ሓላፍነት ዝወስዱ እዞም ወታደራት ምዃኖምን ፀብፃባት ይሕብሩ ይብል። ምንስቴር ወፃኢ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንኢትዮጵያ ዝወሃቡ ገለ ረድኤታት ምስ ህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሴ ከምዘይተኣሳሰሩ ገሊፁ ነይሩ።ግን ረድኤት ዳግም ንምቕፃል ብብርክት ዝበሉ ምኽኒያታት ከምዝግምግም ሓቢሩ ነይሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/us-will-not-resume-assisstnace-to-ethiopia-for-most-security-programs\/5815453.html"} {"headline":"'ኣብ ትግራይ ትካላት ጥዕና ተዘሪፎም' ዶብ ኣልቦ ሓካይም","content":"ዶብ ኣልቦ ሓካይም(Doctors Without Borders) ዝተብሃለ ዓለምለኸ ገባሪ ሰናይ ኣብ ትግራይ ኮነ ተባሂሉ ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ትካላት ጥዕና ''ተሰሪቖም፣ ተጎዲኦምን ዓንዮምን''ክብል ገሊፁ።እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል ሎማዕንቲ ሶኑይ ከምዝሓበሮ ዳህሳስ ካብ ዝተገብረሎም 106 ትካላት ጥዕና 70 ምኢታዊ ተዘሪፉ ልዕሊ 30 ምእታዊ ድማ ዓኒዩ ኣሎ። ዶብ ኣልቦ ሓካይም (Doctors Without Borders) ሎማዕንቲ ሶኑይ ከምዝሓበሮ ካብ ፍርቂ ታሕሳስ ክሳብ መጀመሪያ መጋቢት ዳህሳስ ካብ ዝተኻየደሎም 106 ትካላት ጥዕና 70 ሚእታዊ ተሰሪቖም ልዕሊ30 ሚእታዊ ድማ ዓንዮም ኣለው ኢሉ።ብስሩዕ ዝሰርሑ ዘለው 13 ምእታዊ ጥራሕ እዮም ኢሉ ብምውሳኽ። ‘’ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና ትግራይ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲታት ኣብቲ ህዝቢ ኣዕናዊ ተፅዕኖ ኣለዎም’’ ኢሎም ኦሊቨር በን ጀነራል ዳይረክተር ዶብ ኣልቦ ሓካይም።’'ብመሰረት ዓለምለኸ ሕጊ ሰብኣውነት ኣብ እዋን ግጭት ትካላት ጥዕናን ሰራሕተኛታት ጥዕናን ሓለዋ ክግበረሎም ይግባእ’’ኢሎም።እዚ ግን ብንፁር ኣብ ትግራይ ኣይኸውንን ዘሎ። ውፅኢት መፅናዕቲ ዶብ ኣልቦ ሓካይም ድሕነት ሽዱሽተ ሚሊዮን ህዝቢ ትግራይ ዘተሓሳስብ ምዃኑ እዩ። ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ ምርጫ ምስንኻሉ ስዒቡ ፌደራል መንግስትን ኣብቲ እዋን ክልላዊ ሰበስልጣ ትግራይ ዝነበሩን ነንሓድሕዶም ዘይሕጋዊ ይበሃሃሉ።ሓይልታት መንግስቲን መሻርኽቶምን ንቶም መራሕቲ ይሃድኑዎም ኣብ ዘለሉ እዋን እቲ ውግእ ቀፂሉ ይርከብ። ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ እቲ ኵናት ከብቅዕን ተፈፂሞም ዝተብሃሉ ገበናት ኵናት ብሕቡራት መንግስታት ዝምራሕ ዓለምለኸ ምርመራ ክካየድን ፅቕጢ ገጢሙዎም ኣሎ።ብፌደራል መንግስቲ ይካየድ ዘሎ ምርመራ እኹል ኣይኮነን ምኽኒያቱ ኣብ ባዕሉ ውፂታዊ ምርመራ ከካይዱ ኣይኽእልን ይብሉ ንመንግስቲ ዝነቕፉ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ግፍዕታት መዳርግቲ ‘’ምፅናት ዘርኢ’’ እዩ ክብሉ ገሊፆምዎ ኣለው፤መንግስቲ ኢትዮጵያ እቶም ክስታት መሰረት ዘይብሎም ክብል ውዱቕ ገይሩዎ ኣሎ። ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ትግራይ ዘሎ ተፃብኦ ጠጠው ከብሉዎ ብሊንከን ኣተሓሳሲቦም ኣለው።ወታደራት ኤርትራ ከምኡ እውን ተዋጋእቲ ኣምሓራ ካብ ትግራይ ክወፁ ኣለዎም ኢሎም ኣለው።እቲ ክልል ‘’ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ትግራይ ዘይግህስ ወይ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝረኣናዮ ተግባራት ምፅናት ዘርኢ ዘይፍፅም ሓይሊ የድልዮ።እዚ ጠጠው ክብል ኣለዎ’’ ኢሎም ብሊንከን። ዶብ ኣልቦ ሓካይም ከምዝበሎ ኣብ መብዛሕቲኦም ከባቢታት ትግራይ ትካላት ጥዕና ‘’ኮነ ተባሂሉ ከምዘይሰርሑ ተገይሮም ተጎዲኦም።ሓደ ካብ ሓሙሽተ ትካላት ጥዕና ብወታደራት ተታሒዞም ኣምቡላንሳት ብዕጡቓት ጉጅለታት ምስ ተወሰዳ ሕዚ ኣምቡላንስ ዘለወን ኣዚየን ሒደት ትካላት ጥዕና እየን’’ይብል። ኣብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ነፍሰ ፁር ኣዴታት ቅድመ ወሊድን ድሕሪ ወሊድን ክንክን ዝረኸባ ኣዚየን ውሑዳት እየን፤ህፃውንቲ ክታበት ይረኽቡ ስለዘየለው ንቕድሚት ግዳያት ተመሓላለፍቲ ሕማማት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ይብል እቲ መግለፂ። ብመሰረት ፀብፃብ መንግስታዊ ማዕኸን ዜና ብሮድካስቲንግ ኮርፖረሽን ኢትዮጵያ ግን ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዝርከቡ ሆስፒታላት 75 ምእታዊ ምሉእ ብምሉእ 10 ምእታዊ ድማ ብኽፋል ስራሕ ጀሚሮም ኣለው። ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት 1,583 ኣዴታት ኣገልግሎት ረኺበን ኣለዋ።ኣብቲ ክልል ካብ ዝሰርሑ ሰብ ሙያ ጥዕና ልዕሊ 90 ምእታዊ ኣብ ማእዲ ስርሖም ከምዝርከቡ እቲ ፀብፃብ መንግስታዊ ዜና ማዕኸን ገሊፁ። ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ጥምየት ዝሞቱ ሰባት ክውስኽ ከምዝኽእል ሰበስልጣን ሰብኣዊ ረድኤት የጠንቅቑ።እቲ ኵናት ዘራእቲ ንምሕፋስ ምድላው ኣብዝግበረሉ እዋን ብምጅማሩ በዝሖም ዘይፍለጥ ሰባት ንመንበሪገዛውቶም ገዲፎም ሃዲሞም።ወታደራት ኤርትራ ሰፊሕ ስርቅን ምቅፃል ዘራእት ከምዝፈፀሙ መሰኻኽር ገሊፆም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/group-reports-health-faclities-looted-in-tigray\/5815449.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ትማሊ ሰንበት ክታበት ቫይረስ ኮሮና ምሃብ ጀሚራ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክታበት ኮቪድ 19 ብደረጃ ሃገር ትማሊ ሰንበት ተጀሚሩ። ሚኒስትር ጥዕና ዶ\/ር ሊያ ታደሰ ነቲ ሃገራዊ ክታበት ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል መቐለ ተረኺባ`ያ ኣጀሚራቶ። ኣብ ምልእቲ ሃገር ዝርከቡ ንኮሮና ቫይረስ ዝያዳ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሰብ-ሞያ ጥዕናን ሰራሕተኛታትን፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት፡ከምኡ'ውን ካልእ ዝጸንሓ ሕማም ዘለዎም ውልቀሰባት ብቐዳምነት ክታበት ከምዝረኽቡ ሚኒስትር ጥዕና ሊያ ታደሰ ኣብቲ እዋን ሓቢራ`ላ። ንሳ ኣተሓሒዛ ቀረብ`ቲ ክታበት ብደረጃ ዓለም ውሱን ስለዝኾንነ ንኹሉ ሕብረተሰብ ንምብጻሕ ኣጸጋሚ ስለዝኾነን፡እቲ ሕብረተሰብ ክታበት መጺኡ ኢሉ፡ ብዘይምዝናይ፡ ኣገባባት ምክልኻል`ቲ ቫይረስ ብዝግባእ ተግባራዊ ምግባሩ ክቕጽል መጸዋዕታ ኣሕሊፋ`ላ። ምስታ ሚንስተር ጥዕና ብምዃን ነቲ ክታበት ብምውሳድ ነቲ ወፍሪ ክታበት ዘጀመረ ግዚያዊ ርእሰ-ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ\/ር ሙሉ ነጋ ኣብ ዝገበሮ መደረ ድማ፡ ኣብቲ ክልል ንዘሎ ጸገማት ኣብ ምምካት ኣብ ዘለናሉ እዋን፡ ቫይረስ ኮሮና ተወሳኺ ጉድኣት ንኸየውርድ፡ እቲ ወፍሪ ክታበት ምጅማሩ፡ወሳኒ እጃም ኣለዎ ምባሉ- ኣብ ፈይስቡክ ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ዜና ኣመልኪቱ`ሎ። ዶ\/ር ሙሉ፡ እቲ ህዝቢ ኣገባብ ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ክጥቀም`ውን ኣተሓሳሲቡ`ሎ። ብመሰረት ጸብጻብ ሚንስትሪ ጥዕና`ታ ሃገር ኣብ ኢትዮጵያ፡ክሳብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ዝተገብረ መርመራ፡74 ሺሕን 54ን እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ፡142 ሽሕን 21 ዝሓወዩ:2,540 ድማ ብሰንኪ`ቲ ቫይረስ ህይወቶም ምስኣኖም ተመዝጊቡ ሎ:: ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%B5%E1%88%9B%E1%88%8A-%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%89%B3%E1%89%A0%E1%89%B5-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%88%9D%E1%88%83%E1%89%A5-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%AB\/5815364.html"} {"headline":"ዓለምለኸ ማዕልቲ ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ትግራይ ይወርድ ዘሎ ፆታዊ መጥቓዕትን","content":"March 8 ን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ትግራይ ይወርድ ዘሎ ፆታዊ መጥቓዕቲን ምኽኒያት ብምግባር ዘዘራረብናየን ሓኪም ስነ ልቦናን ካብ መስረቲ ምቅንስቓስ’’ይኾኖ’'ን ዶክተር ሄልን ቴድሮስ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ እትነጥፍ ኣበባ ወልደተኽለ ካብ ፊኒክ ኣሪዞናን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣብ ከቢድ ኩነታት ኣለዋ ይብላ። ‘’ኣብ ቀረባ ናብ ትግራይ ከይደ ፆታዊ መጥቓዕቲ ዝወረደን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከተማ መቐለ ብኣካል ረኺበየ ሪአየን’’ ዝበለት ዶክተር ሄለን ክትሓስቦ እውን ኣዚዮ ከቢድ ኣብ ዝኾነ ስነ ኣእሙራውን ኣካላውን ኩነታት ኣለዋ ኢላ።ብሓፈሻ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ‘’ካብ ዝኾነ ይኹን ንላዕሊ ኣብ ታሪኽ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ተፈፂሙ ዘይፈልጥ በደላት ይፍፀመን ኣሎ’’ ክትብል ትገልፆ። ‘’ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣለዋ’’ ዝበለት ኣበባ ወልደተኽለ ብወገና ‘’ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ይድፈራ ኣለዋ፣ይዕመፃ ኣለዋ፣ብዙሕ ፆታዊ መጥቓዕቲ ይብዘፅሐን ኣሎ፣ይስደዳ ኣለዋ፣ይጠምያ ኣለዋ’’ክትብል ትገልፆ። ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዘይተነገረ እምበር ዘይተገበረ የለን እውን ትብል ወሲኻ። ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብዚ ምስማዕ ይከኣል። No media source currently available No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/women-and-girls-in-tigray-are-suffering-from-unimaginable-sexual-violence-said-two-advocating-women\/5814849.html"} {"headline":"ዋይት ሃውስ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጺሞም ንዝተባህሉ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት መርመራ ክካየድ ፀዊዑ","content":"ዋይት ሃውስ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ይካየድ ዘሎ ግጭት ስዒቡ ተፈጺሞም ንዝተባህሉ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተማለአን ዘይሻራውን መርመራ ክካየድ ፀዊዑ ። ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ 'ውን እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሰብ ሰርሖ ጥምየት ንምፍታሕ ኩሎም ተፃባእቲ ኣካላት ኲናት ጠጠው ከብሉ ኣተሓሳሲበን ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8B%E1%8B%AD%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8B%8D%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%9E%E1%88%9D-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%89-%E1%8C%A5%E1%88%95%E1%88%B0%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8A%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8D%80%E1%8B%8A%E1%8B%91\/5812562.html"} {"headline":"ኣብ ዝተፈላለየ ግዝኣታት ኣሜሪካን ካናዳን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝድግፍ ሰልፊታት ተኻይዱ","content":"ኣብ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዝተመርኮዘ ንልኡላውነት ኢትዮጵያ ዝፃረር ተጽዕኖታት ደው ይበል ዝብሉ መልእኽቲ ዝተሓንገጡ ካብ ኒውዮርክን ጎረባብቲ ክፍለ ግዝኣታትን ከምኡ እውን ዋሽንግተን ዲስን ከባቢኡን ዝተጉዓዙ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ክፍለ ግዝኣታት ኣሜሪካ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያንን ኢትዮጵያዊያን ኣሜሪካዊያንንትማሊ ኣብ ኒውዮርክ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም ነይሮም። እቶም ሰልፈኛታት ንዝሓለፈ 27 ዓመታት ኣበይ ነይርኩም፣ኢትዮጵያዊያን ክቕተሉን ክዝረፉን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ክግፍዑን ክስደዱን ኣበይ ነይርኩም ዝብልን ካልኦትን ጭርሖታት ብምሓዝ ድምፆም ኣስሚዖም። ኣብቲ ከተማ ኒውዮርክ ዝርከቡ ኣብያተ ዕዮ ሕቡራት ሃገራትንን ኒውዮርክ ታይምስን ወሲኹ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ከተማ ሰልፊ ምክያዶም ተሓቢሩ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A8-%E1%8C%8D%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%8A%93%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%8B%B5%E1%8C%8D%E1%8D%8D-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/5812544.html"} {"headline":"መግለጺ ኢዜማ ኣብ ኩነታት ክልል ትግራይ","content":"ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ(ኢዜማ) ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ዘሻቕል ኩነታት ሰብኣዊ ረድኤት: ምግሃሳት ሰብኣዊ መሰላትን ኣድላይ ትኹረት ክወሃቦ ይግባእ ኢሉ። ኢዜማ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ መንግስቲ ደሕንነት ዜጋታቱ ኣብ ምሕላው ዘለዎ ውፍይነት ከርእይ ጸዊዑ'ሎ። እቲ ውድብ ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብታ ሃገር ተራእዩ ዝበሎም ስግኣታት ድሕነት ብፍላይ ኣብ ቡራዮ: ሻሸመነ: ኣርሲ: ኣብ ጉራፈርዳ: መተከል: ምዕራብ ወለጋን ኮንሶን ካልኦት ከባቢታት ዜጋታት ብግፍዒ ተቐቲሎም ይብል። እዞም ህውከታት ድሕሪ ምውጋድ በቲ ተግባር ክኽሰስ ዝፀንሐ ህወሓት'ውን ቀፂሎም እዮም ድሕሪ ምባል ንዓቕሚ መንግስቲ ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእቱ እዩ ምባሉ ተሓቢሩ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%A2%E1%8B%9C%E1%88%9B-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/5812527.html"} {"headline":"ዋና ፀሓፊ ሕ\/ሃ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ከምዘሻቅሎም ገሊጾም","content":"ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ከምዘሻቅሎም ገሊጾም።ንሶም እዋን ምእታው እኽሊ ብዘይምርግጋእን ግጭትን ብምትዕንቓፉ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ክጠምዩ ይኽእሉ እዮም ኢሎም። ጉተረዝ ነዚ ዝገለፁ ትማሊ ንባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እዩ። ትኹረት ናይቲ ኣኼባ ባይቶ ፀጥታ ጎንፅን ውሕስነት መግብን ብኸመይ ዝተተሓሕዘ ምዃኑ ትኹረት ዝገበረ እዩ ነይሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8D%80%E1%88%93%E1%8D%8A-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%BB%E1%89%85%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/5812511.html"} {"headline":"ኣሜሪካ: ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ዘሎ ዘይምስምማዕ ንምፍታሕ ዝካየድ ጻዕርታት ምድጋፍ ከምትቕጽል ኣፍሊጣ","content":"ኢትዮጵያ:ግብፅን ሱዳንን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ንዘሎ ዘይምስምማዕ ንምፍታሕ ዝገብርኦ ዝተሓባበረን ሃናፂ ፃዕርታት ምድጋፍ ኣሜሪካ ከምትቕጽል ኣፍሊጣ ። ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ፕረስ ዋይት ሃውስ ጀን ፕሳኪ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃብኦ መግለጺ ሰለስቲኣን ሃገራት ሃናጺ ዝኾነ ልዝብ ክቕጽላ ኣሜሪካ ከምተተባብዕ ገሊጸን ኣለዋ:: ንሰን ወሲኸን ውጥረታት ምህዳእን መፍትሒ ንምንዳይን እንህቦ ድጋፍ ንክዕወት ምስቲ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ዘለው ጉዳያት ሚዛናዊ ኣቀራርባ ክህሉ ንምርግጋፅ ክንሰርሕ ኢና ኢለን ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9B%E1%8B%95-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%88%95-%E1%8C%BB%E1%8B%95%E1%88%AD%E1%89%B3%E1%89%B3-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%89%95%E1%8C%BD%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A3\/5812500.html"} {"headline":"ወታደራት ኤርትራ ኣብ ወረዳታት ኢሮብ፣ሳዕስዕ ፃዕዳ እምባን ታሕታይ ቆራሮን ን99 ሰባት ቀቲሎም ተባሂሉ","content":"ወታደራት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ ምብራቓዊ ዞባ ወረዳ ኢሮብ ን63 ሰላማዊያን ሰባት ከምዝቐተሉን 58 ኣባይቲ ከምዘቃፀሉን ንማሕበረሰብ ኢሮም ዝሕለቕ Irob Advocacy Association ዝተብሃለ መንግስታዊ ዘይኮነ ትካል ኣፍሊጡ።ኣብዚ ዞባ ወረዳ ሳዕስዕ ፃዕዳ እምባ ወታደራት ኤርትራ 16 ለካቲት 2013 ዓ\\ም ንሽዱሽተ ሰላማዊያን ሰባት ከምዝቐተሉ ሓደ ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለየ ናይቲ ከባቢ ነባሪ ንቪኦኤ ገሊፁ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ወታደራት ኤርትራ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ኣብ ሓንቲ ጣቢያ ጥራሕ ካብ 16 ክሳብ 80 ዓመት ዝዕድሚኦም 30 ደቂ ተባዕቲዮ ከምዝቐተሉ ኣባላት ስድርኡን መተዓብይቱን ዝተቐተሉዎ ሓደ መንእሰይ ንቪኦኤ ገሊፁ። ነባሪነቱ ኣብከተማዓዲግራት ዝኾነ ናይ Irob Advocacy Association ኣቦ ወንበር ኣቶ ስዩም ዮሃንስ ንቪኦኤ ብስልኪ ከምዝገለፆ ወታደራት ኤርትራ ኣብ ወረዳ ኢሮብ ቅትለትን ፆታዊ ዓመፅን ፈፂሞም፣ንብረት ሰሪቖም፣ መንበሪ ኣባይቲ ኣቃፂሎም ክብል ገሊፁ። ብፍላይ 28ን 29 ታሕሳስ 2013 ዓ\\ም ዘውረዱዎ ጥፍኣት ‘’63 ሰባት ከምዝተቐተሉ ብኣባላትና ኣረጋጊፅና’’ ዝበለ ኣቶ ስዩም እቲ ቁፅሪ ክሳብ 70 ከምዝበፅሕ ሓቢሩ። ብባህሊ ኢሮብ ፆታዊ መድፈርቲ ዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ ክዛረባ ከቢድ ብምዃኑ ብምቁፅሪ ንምግልፃ እንተፀገመ እውን እቲ ገበን ምፍፃሙ ግን ርግፀኛታት ኢና ክብል ኣቶ ስዩም ገሊፁ። መውኸንን ሓረዞን ኣብ ዝተብሃሉ ጣቢያታት ናይ ሚሊሽያታት ኣባይቲ ብዝብል ሰበብ 58 ኣባይቲ ብወታደራት ኤርትራ ከምዝተቓፀሉ ኣቶ ስዩም ወሲኹ ገሊፁ። እቲ ቅትልተን ካልኦት መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ንዋና ፈፃሚ ስራሕ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ሙሉ ነጋ በእካል ረኺቡ ከምዝነገሮም ብምሕባር ‘’ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ሓዘኖም ገሊፆምለይ እዮም፤ከምዝገምገምናዮ ግን እቲ ኩነታት ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ እዩ ዝመስል’’ ኢሉ። እቲ ቅትለትን ምቅፃል ኣባይትን ዝተፈፀመ ኣብ ዓለቴና፣ እንዳሞሳ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ጣቢያታት ምዃኑን ዝተቐትሉ ብዕድመ ዝደፍኡ ዓበይትን ዝርከቡዎም ብበዝሒ ማንእሰይ ደቂ ተባዕቲዮን ዝተወሰና ደቂ ኣንስትዮን ይርከብኦም ክብል ገሊፁ። ተሓተቲ ናይዚ ኹሉ ጥፍኣት ወታደራት ኤርትራ ብምዃኖም ብዘይውዓል ሕደር ካብ ትግራይ ክወፁ ኣለዎም ኢሉ ኣቶ ስዩም። ሓደ ንደሕንነቱ ብምስጋእ ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለየ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ሳዕስዕ ፃዕዳ እምባ ጣቢያ ኮማሱብሓ ቑሸት ውታፋ ነባሪ ዝኾነ 16 ለካቲት 2013 ዓ\\ም ሽዱሽተ ስቪላት ብወታደራት ኤርትራ ተረሺኖም ኢሉ። ውታፋ ኣብ ዝተብሃለ ቑሸት ጥራሕ ናይ ሸሞንተ ገባራት ኣባይቲ ብወታደራት ኤርትራ ተቓፂሎም ክብል ሽሞም ዘርዚሩ። ናይ ዕጡቓት ሚሊሽያ ብዝብል ሰበብ ዕጡቓት ናይ ዘይኮኑ ብዙሓት ኣባይቲ ተቓፂሎም ኣለው ኢሉ።’’ናይ ኣሕዋተይ፣ስድራይን ናይ ጎረበተይን ብምልኡ ተቓፂሎ፤ ታሕታይ ዝባን ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ናይ 13 ገባራት ገዛውቲ ተቓፂሎም፣ኣዚዩ ብዙሕ እዩ ንምዝራብ እውን ከቢድ እዩ’’ ክብል ይገልፅ። ወታደራት ኤርትራ ንሰባት ክቐትሉ ከለው ይኹን መንበሪ ኣባይቲ ከቃፅሉ ከለው ግደፉ ዝብሎም ስለዘየለ ዕላምኦም ንናይ ትግራይ ብሄር ንምጥፋእ እዩ ክብል ኣምሪሩ ይገልፅ። እንስሳ ከምድልየቶም እናወሰዱ ከምዝሓርዱ ብምግላፅ ህዝቢ ትግራይ ይሳቐ እዩ ዘሎ ‘’ማሕበረሰብ ዓለም ብትኽክል እናሰርሐ እንተኾይኑ እዚ ሰራዊት ካብዛ ሃገር ፀንቂቑ ክወፀልና ክሕግዘና ንደሊ ኢና’’ ክብል መልእኽቱ ኣሕሊፉ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ከተማ እንዳስላሴ ጣቢያ ባዶ ክልተ ነባሪን ናይ ትውልዲ ዓዱ ኣብ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ፣ጣቢያ ማይ ጥምቀት ዝኾነን ንደሕንነቱ ክብል ሽሙ ክግለፅ ዘይደለየን መንእስይ ምሁር ወታደራት ኤርትራ ኣብ ትውልዲ ዓዱ 8 ህዳር 2013 ዓ\\ም ካብ 16 ዓመት ዕሸል ክሳብ 80 ዓመት ዝዕድሚኦም ብዙሓት ሰባት ከምዝቐተሉ ገሊፁ።ናይ ስጋ ኣዝማዱን ዝፈልጦም መተዓብይቱን ኣዕርኽቱን ከምዝተቐተሉ ኣፍሊጡ ኣሎ። ሓይልታት ፌደራል 8 ሕዳር 2013 ዓ\\ም ናብ እንዳስላሰ ኣብዝኣተውሉ እዋን ወታደራት ኤርትራ ብጣቢያ ማይ ጥምቀት ክሓልፉ ከለው ንፁሃን ሰባት ቀቲሎም ይብል። ብማይ ጥምቀት ኣቢሉ ክሓልፍ ከሎ ንብዙሓት ሰላምዊያን ሰባት ምቕታሎም ከምዝፈልጥን ዝፈልጦም ሰባት፣ገሊኦም ድማ ኣዝማዱን ደቂ ዓዱን ምዃኖም ገሊፁ። ኣብ ልዕሊ ዘይተዓጠቑ፣ኣብቲ ከባቢ ውግእ ኣብ ዘይነበረሉ፣ኣብቲ ከባቢ ሰራዊት ትግራይ ወይ ሚሊሽያ ኣብ ዘይነበረሉ ወታደራት ኤርትራ ዘውረድዎ ግፍዒ እዩ ይብል። ‘’8 ሕዳር 2013 ዓ\\ም ስቕ ኢሎም ፈቐዶ ኣባይቲ እናኣተው፣ኣብ መንገዲ ዝረኸቡዎ 30 ሰባት ቀቲሎም። ካብዚኦም እቶም ሰለስተ ሰባት ጥራሕ እዮም ብስርዓት ኣብ ቤተ ክርስቲያትን ተቐቢሎም።ዝተረፉ 27 ግን ኣብ ዝተቐተልሉ ቦታን ባይታን እዮም ተቐቢሮም’’ ኢሉ። ካብ ሓደ ገዛ ክልተ፣ሰለስተ ሰባት ዝተቐተሉ ከምዘለው ብምግላፅ ኣሽማት ናይቶም 21 ሰባት ዘርዚሩ።ህይወቱ ንምድሓን ካብ ሑመራ መፂኡ ኣብዚ ህይወቱ ዝሰኣነ ተኸስተ ንጉሴ ሓዊሱ ክሳብ 21 ዝዘርዘሮም ነበርቲ ጣቢያ ማይ ጥምቀት ምዃኖም ምስ ሓበረ እቶም ትሽዓተ ግን ካበይ ከምዝመፁ ዘይፍለጡን መንነት ወረቐት ዘይብሎም ኣብኡ ተቐቲሎም ዝተቐበሩን እዮም ክብል ገሊፁ። ኣብ ኣክሱም ዝተፈፀመ ጭፍጨፋ ይኹን ኣብ ኢሮብን ካልኦት ከባቢታትን ዝተፈፀሙ ቅትለታት ኣብ ልዕሊ ደቂ ተባዕቲዮ ዘተኮሩ እዮም።ኣብ ማይ ጥምቀት ዝተቐተሉ እውን ኩሎም ደቂ ተባዕቲዮ ብምዃኖም ተመሳሳሊነት ኣለዎ። ኣብ ቀረባ ናብ ጣቢያ ማይ ጥምቀት ተጓዒዙ ከምዝነበረን ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ከባቢ ሰፊሮም ከምዝርከቡን እቲ መንእሰይ ገሊፁ። ‘’ናይ ሚሊሽያ እዮም’’ ብዝብል ብኣማእቲ እንስሳት ማይ ጕዕ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ቤት ትምህርቲ ዓጊቶም ካብ ዝሕዙወን ልዕሊ ሓደ ሰሙን ከምዝገበራ ገሊፁ።’’እቲ ዝገርም ድማ ካብዞም ኣጣልን ኣባግዕን እናሓረዱ እዮም ዝቅለቡ’’ ይብል ብምውሳኽ። ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ፣ጣቢያታት ጥዕናን ክልኒካትን ኩሉ ንብረቶም ብወታደራት ኤርትራ ከምዝተሰረቑን ከምዝዓነውን ብምሕባር ባዶ ምትራፎም ብአካል ተረኺቡ ከምዝርኣዮ ሓቢሩ። ኣብ ህዝቢ ትግራይ ይወርድ ኣሎ ዝበሎ ህልቂት መወዳእታ የብሉን ዝበለሱ ንሱ ‘’ኣብ ትግራይ ዝተረፈ ንብረት የለን፣ብወታደራት ኤርትራ ተወሪሩ፣ዓለም ንሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ኣብ ምውፃእ ክሕግዘና ይግባእ’’ ክብል መልእኽቱ ኣሕሊፉ። ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ተፈፂሞም ዝተብሃሉ ገበናት ቕትለት፣ምቅፃል ኣባይትን ካሎትን ዝተሓተቱ ዋና ኣመሓዳሪ ናይቲ ዞባ ኣቶ ሃይለስላሰ ተስፋይ ንቶም ዝቐረቡ ክስታት ኣይረጋገፁን፤ኣሉታ እውን ኣይሃቡን።’’ኣነ ሓበሬታ ተኣኪቡ፣ምስ ተወደበን ምስ ተተንተነን ጥራሕ እየ ዝህብ ካብዚ ወፃኢ ኣይህብን እየ’’ ኢሎም። ካብ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜን ምዕራብ መልሲ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይተዓወተን። ይኹን እምበር ኣብ ቀረባ ምስ ቪኦኤ ቃለ መጠይቕ ዘካየዱ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ሙሉ ነጋ ኣብዚ ሪፖርት ንዝተጠቐሱ ክስታት ከይኮነስ ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዝተፈፀመ ተዛሪቦም ኣለው ። ናይ ፀጥታን ድሕነትን ስራሕ ብዙሕ ፃዕሪ ስለዘድልዮ ይጅምሩዎ ከምዘለው ብምግላፅ ‘'ህዝብና ሪኢዎ ዘይፈልጥ ከቢድ ሓደጋ ወሪዱዎ ኣሎ’'ኢሎም።ዕንወት ንብረት፣ምጥፋእ ይወት ሰባት፣ፆታዊ መጥቓዕቲ፣ዕንወት መስረተ ልምዓት ከምዝወረደን በቲ ኵናት ብዙሕ ዕንወት ወሪዱ ካብ ናይ ውልቀሰባት ክሳብ ህዝባዊን ዓበይቲ ትካላት ብዝተፈላለዩ ከምዝተስረቑን ከምዝዓነውን ገሊፆም ዶክተር ሙሉ። ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወፁ ቃለ ምልልስ ካብ ዝገበርናሎም ሰባት፣ካብቲ ህዝብን ካብ ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ይቐርብ ንዘሎ ፃውዒት ዶክተር ሙሉ ነጋ ክምልሱ ከለው ሰራዊት ኤርትራ ይኹን ካሊ ሓይሊ ካብ ትግራይ ክወፅእ ኣለዎ ኢሎም። መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ወታደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣይተሳተፉን ክብሉ ይነፅጉዎ።ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዝርከቡ ላዕለዎት ሰብስልጣን ግዚያዊ ምምሕዳር ግን ወታደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዝለዓለ ጭፍጨፋን ቅትለትን ከምኡ እውን ስርቅን ዕንወትን ንብረት ኣብ ምፍፃም ከምዝርከቡ ይገልፁ። ሓደ ሽሙን ሓላፍነቱን ክግለፀሉ ዘይደለየ ወታደር ኤርትራ ቅድም ክብል ምስ ቪኦኤ ክፍሊ ትግርኛ ኣብ ዘካየዶ ቃለ ምልልስ ወታደራት ኤርትራ ኣብ ዝኣተውለን ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ነቲ ህዝቢ ካብ መጥቓዕቲ ይከላኸሉ ነይሮም ኢሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ይፍፀሙ ኣለው ንዝተብሃሉ ገበናትን መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላትን ከምዝምርምር ገሊፁ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/eritrean-forces-are-accused-killings-burning-homes-and-looting-properties-in-tigray\/5811655.html"} {"headline":"ሓደ ላዕላዋይ ዲፕሎማት ኢምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ መዝነቱ ብፍቓዱ ከምዘረከበ ተገሊጹ","content":"ሓደ ላዕላዋይ ዲፕሎማት ኢምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ብምኽንያት ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ግጭት መዝነቱ ከምዘረከበ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ። ምኽትል ሓላፊ ኢምባሲ ኢትዮጵያ ምዃኑ ዝተነግረሉ ኣቶ ብርሃነ ኪዳነማርያም፡ ኣብ ዝዝርግሖ ቅሉዕ ደብዳበ፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኣጽናቲ ዝበሎ ኩናትን መንግስቲ ኣብቲ ዝተረፈ ከባብታት ኢትዮጵያ ዘውርዶ ዘሎ ዝበሎ ጭቆናን ዕንወትን ንምቅዋም ስልጣኑ ከምዝሓደገ እቲ ዜና ይጠቅስ። ኣቶ ብርሃነ ክሳብ ኣብ 2018 ዝተባረረሉ እዋን ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ምንባሩ`ውን ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ይጠቅስ። ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ግፍዕታት ምፍጻሙ ይጠቕሱ። መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ድማ ህይወት ኣብ ትግራይ ናብ ንቡር ይምለስ ኣሎ ይብል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%8B%E1%8B%8B%E1%8B%AD-%E1%8B%B2%E1%8D%95%E1%88%8E%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%B1-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%A8%E1%8A%A8%E1%89%A0-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5810759.html"} {"headline":"ኮንግረስዎማን ካረን ባስ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጺሙ ዝብሃል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘሻቀለን ገሊጸን","content":"ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ኣደመንበር ንኡስ ኮሚቴ ኣፍሪቃ ካረን ባስ፡ ብዛዕባ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጺሙ ዝብሃል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት መግለጺ ኣውጺኣ። ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጺሙ ብዛዕባ ዝብሃል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዕታትን ኣሻቒሉኒ`ሎ ዝበለት ካረን ባስ- ብሰንኪ`ቲ ኣብ መንጎ መንግስትን ህወሓትን ዝተጋደድ ምስሕሓብ ኣብ ልዕሊ ኣሸሓት ሰላማዊያን ሰባት መቕተልቲ: ዓመጽ: መጥቃዕቲ ወሪዱ ዝብሃል የሻቕለኒ`ሎ ኢላ። ኣብታ ሃገር ዓሌታዊ ጎንጺ፡ ብዘይፍርዲ ቅትለት: ጾታዊ በደል ከምኡ`ውን ዘረፋታት ኣሎ፡ ምትዕንቓፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ንትግራይ`ውን ቀጺሉ ዝበለት ካረን ባስ፡ ምስ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተራኸበትን፡ ቅጽበታዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበርን ብኣህጉራዊ ኮሚኒቲ ብናጻ ወገን መርመራ ክግበር ብጽኑዕ ከምዘተሓሳሰብትን ጠቒሳ`ላ። ካረን ባስ ዓሌትን ሃይማኖትን ዒላማ ዝገብር መጥቃዕቲ ዝኹንን ንድፊ ምስ ብጾታ ኮይና ተዳሉ ከምዘላ`ውን ሓቢራ`ላ ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%8B%8E%E1%88%9B%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%88%A8%E1%8A%95-%E1%89%A3%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%99-%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%83%E1%88%8D-%E1%8C%8D%E1%88%85%E1%88%B0%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%BB%E1%89%80%E1%88%88%E1%8A%95-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B8%E1%8A%95\/5810741.html"} {"headline":"ሰላማዊ ሰልፊ ኢትዮጵያዊያን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን  ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ","content":"ንኣሜሪካ ሓዊሱ ሓደ ሓደ ኣባል ሃገራት ባይቶ ቤት ምክሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ንጎንፂ ትግራይ ስዒቡ ዝሓዝዎ መርገፂ ዝወቐሱ ኢትዮጵያዊያን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። እቶም ሰልፈኛታት እተን ሃገራት ዝሓዝኦ መርገፂ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ዝዘርግሖ ግጉይ ሓበሬታ ዝተመርኮሰ ብምዃኑ ይስተኻኸል ክብሉ ሓቲቶም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8A-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%B5%E1%8B%8D%E1%88%8D%E1%8B%B0-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8B%E1%88%BD%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%89%B0%E1%8A%95-%E1%8B%B2%E1%88%B2-\/5809525.html"} {"headline":"ክልተ ሰነተራት ኣሜሪካ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ጎንጺ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ጸዊዖም","content":"ሰናተራት ኣሜሪካ ጂም ሪችን ቤን ካርዲያንን ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ጎንፂ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ብዘበረታትዑ መሳርሕቶም ተፀምቢሎም ደጊሞም ከልዕልዎ ምዃኖም ኣፍሊጦም። ከምኡ'ውን ኢትዮጵያ ነቶም ገጢሞምዋ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ፈተናታት ባንኪ ዓለም ብቀረባ ይከታተሎም ኣለኹ ክብል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%8A%90%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%A2%E1%88%A9-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8C%BA-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%88%95-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%96%E1%88%9D\/5807938.html"} {"headline":"መግለጺ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንባይቶ ጸጥታን ሰላምን ሕብረት ኣፍሪቃ","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ሃገሮም ብውዲት ማዕበል ነቀፌታ ዓለም ትሓልፍ ብምህላዋ ኣፍሪቃውያን ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ደው ክብሉ ባይቶ ፀጥታን ሰላምን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘካየዶ ዕፁው ኣኼባ ፀዊዖም ። ምኽንያት እዚ ማዕበል ነቀፌታን ጠቀነን ሃገሮም ኣብ ግዛአታ ሕጊ ንምኽባር ንእትገብሮ ዘላ ምንቅስቃስ ስዒቡ ዝመፀ ምዃኑ'ውን ተዛሪቦም ። ብተወሳኺ ኣብ'ዚ ሰሙን ስልጠነኦም ንዝዛዘሙ ሰብ ሰናይ ተግባር መናእሰይ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ 'ውን ዝዓበየ ዝነኣሰ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እንተዘመተ'ውን ሃገሮም ግን ንዝኾነ ተጽዕኖ ጠጠው ከምዘይትብል ኣፍሊጦም ። ኣብዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ተጽዕኖ ታሪኽ ንርእሱ ዝደገም ዘሎ ይመስል ክብሉ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መምሕር ፖለቲካዊ ሳይንስ ፕሮፌሰር ካሳሁን ብርሃኑ ምስ መልእኽቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ከምዝሰማምዑ ርእይትኦም ሂቦም ኣለው ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ ናይ ጽባሕ ፈነወ ተኸታተሉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83\/5809432.html"} {"headline":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣተሓሕዛ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘለው አባላት ህውሓትን ካልኦትን ግቡእ ምዃኑ አረጋጊጹ","content":"ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓደ ሓደ ኣባላት መሪሕነት ህወሓትን ናይ ካልኦት እሱራትን ናይ ቤት-ማእሰርቲ ኣተሓሕዛ፡ ኣብ ዝግባእ ደረጃ ምዃኑ ኣርጋጊጹ። መርመራ ገበናት ብዝክኣል ክሳለጥን ክዛዘምን ኣገባብ ሕጊ ብዝፈቐዶ መልክዕ ብዋሕስ ክፍትሑ ዝግብኦም እሱራት ምፍላይ ከምዘድሊ`ውን ኣትሓሳሲቡ`ሎ። ኮሚሽነር ዳንኤል በቀለን ካልኦት ኣባላቱን ካብ ዝበጽሕዎም እሱራት፡ ኣቶ ስብሓት ነጋ: ኣቶ ቴድሮስ ሓጎስ: ኣቶ ኣባይ ወልዱን ዶ\/ር ኣብርሃም ተኸስተን ከምዝርከብዎም`ውን ንምፍላጥ ተኻኢሉ`ሎ። ንሳቶም ናብ ቤት ማእሰርቲ ፖሊስ መርመራ ገበን ካብ ዝርከቡ ንድሓር ግቡእ ዘይኮነ ናይ ቤት ማእሰርቲ ኣተሓሕዛ ከምዘየጋጠሞምን ብስነ-ምግባር ይትሓዙ ምህላዎምን ብምግላጽ፡ ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዝኣተውሉ እዋን ግን ጸርፊ ማህረምትን መፈራርሕን ከምዝተፈጸሞም ነቲ ኮሚሽን ምግላጾም ተጠቒሱ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%95%E1%8B%9B-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A6%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8C%8D%E1%89%A1%E1%8A%A5-%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%91-%E1%8A%A0%E1%88%A8%E1%8C%8B%E1%8C%8A%E1%8C%B9\/5807882.html"} {"headline":"ኢዜማ ገዛኢ ፓርቲ መንግስትን ፓለቲካዊ ፓርትን ዘይፈለየ ጎስጓስ ምርጫ ይካየድ ኣሎ ክብል ተቓውምኡ ኣሰሚዑ","content":"ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ(ኢዜማ) ገዛኢ ፓርቲ መንግስትን ፓለቲካዊ ፓርትን ዘይፈለየ ጎስጓስ ምርጫ ይካየድ ኣሎ ክብል ተቓውምኡ ኣሰሚዑ። እቲ ፓርቲ ወሲኹ ንብረትን ሃብትን ህዝቢ ንተግባር ጎስጓስ ፓለቲካ ይወዕል ኣሎ ክብል`ውን ይኸስስ። ካብኡ ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ ሱር ብዝሰደደ ናይ ብሄር ፖለቲካ ኣብ ልዕሊ`ቶም ህብረ-ሃገራዊ መትከል ዘለዎም ፓርትታት ፖለቲካ፡ ተጽዕኖ የዕርፍ ኣሎ ይብል። ቦርድ ምርጫ ብወገኑ ምስ ምንቅስቓስ ምርጫ ተተሓሒዙ ዝለዓል ናይ ኣፈጻጽማ ጸገማት ደረጃ ብደረጃ ንምፍታሕ ይሰርሕ ምህላዉ ኣረዲኡ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%8B%9C%E1%88%9B-%E1%8C%88%E1%8B%9B%E1%8A%A2-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8D%93%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8D%88%E1%88%88%E1%8B%A8-%E1%8C%8E%E1%88%B5%E1%8C%93%E1%88%B5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8B%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%88%9D%E1%8A%A1-%E1%8A%A3%E1%88%B0%E1%88%9A%E1%8B%91\/5807821.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ኣስታት 3.8 ሚልዮን ህዝቢ ረድኤት ይበጽሖ ከምዘሎ ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ኣብዚ እዋን`ዚ ኣስታት 3.8 ሚልየን ህዝቢ ረድኤት ይበጽሖ ከምዘሎ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ ረድኤት ድማ መግብን ካልእ ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዛትን ዘጠቓልል ምዃኑ ጠቒሱ`ሎ። ኣብቲ ኽልል ሎሚ ኣብ ዝኾነ ስፍራ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ክፉት ኮይኑ`ሎ ዝበለ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ብጽሒት ዓለምለኸ ረድኤት ግን ካብ 30% ኣይሓለፈን ክብል ገሊጹ`ሎ። ብኻልእ ወገን ልዝብ ሓጽቢ ሕዳሰ፡ ንመጻኢ`ውን ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክቕጽል ከምዘለዎ`ውን እምነት መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዃኑ ጠቒሱ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-3-8-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%88%A8%E1%8B%B5%E1%8A%A4%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%89%A0%E1%8C%BD%E1%88%96-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5807815.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ 2.2 ሚሊዮን መጠን ክታበት ኮቪድ 19 ተረኪባ","content":"ኢትዮጵያ ንመጀምሪያ ግዜ ናይ ኮቪድ 19 ክታበት ምርካባ ከም ሃገር ዓብይ ዕለት እዩ ኢለን ምንስቴር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶክተር ሊያ ታደሰ ።ትፅቢት ካብ ዝግበር ፈላማይ ክታበት ኣስትራዘኒካ ምዃኑ ገሊፀን ኣለዋ። ትማሊ ሰንበት 28 ለካቲት 2013 ዓ\\ም ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ መጠን ክታበት ኮረናቫይረስ 2.2 ሚሊዮን ምዃኑ ምንስቴር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ተዛሪበን ኣለዋ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-has-received-its-first-covid-vaccines-delivery\/5806455.html"} {"headline":"ሕ\/ሃን ኣሜሪካን ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኹናት ደው ክብል ጸዊዖም: አኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕ\/ሃ ኣብ ጉዳይ ክልል ትግራይ ብዘይ ስምምዕ ምዝዛሙ AFP ገሊጹ","content":"ሕቡራት ሃገራትን ኣሜሪካን እቲ አብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብቅልጡፍ ደው ክብልን እቶም ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ተፈፂሞም ዝተባህሉ ጨፍጫፋት ዘፃሪ ዘይሻራዊ መርማሪ ንኽአቱ መገዲ ክመዓራረይ ፀዊዖም ። ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ \"ተወሰኽቲ ጨፍጫፋት ኣብ ልዕሊ ሰባት ንኸይበፅሑ ናይ ምኽልኻል ሓላፍነት ኣብ እንግድዓ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወርድ ይኸውን ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብቅልጡፍ ኲናት ደው ከብል ክተሓባበር ነተሓሳስብ ብተመሳሳሊ ሰራዊት ኤርትራን ሰራዊት ክልል ኣምሓራን ካብ ትግራይ ብቅልጡፍ ክወጹ ምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ ስጉምቲ ይኸውን\" ኢለን ። No media source currently available እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሓሙስ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ኣመልኪቱ ኣብ ዝጸወዖ ኣኼባ ብዘይገለ ስምምዕ ተዛዚሙ ክብል ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ንዲፕሎማት ብምጥቃስ ሓቢሩ። ኣጃንስ ፍራን ፕረስ ብምሉእ ድምጺ ናይ ምስዓር መሰል ዘለወን ተለወጥቲ ኣባል ሃገራት ባይቶ ፀጥታ ሩስያን ቻይናን ድማ \"ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ምእታው እዩ \" ክብላ ነቲ መግለፂ ተቃዊመንኦ ኣለዋ ክብሉ እቶም ዲፕሎማት ወሲኾም ሓቢሮም ይብል ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8A%B9%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%96%E1%88%9D-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8B%8D%E1%8B%96-%E1%8A%A0%E1%8A%BC%E1%89%A3-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%99\/5803471.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ፈጻሚ ስራሕ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ\/ር ሙሉ ነጋ","content":"\"ህዝብና ርእይዎ ዘይፈልጥ ከቢድ ሓደጋ ወሪድዎ'ዩ። ዕንወት ንብረት፣ ምጥፋእ ህይወት፣ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ምድፋር፣ ዕንወት ብርክት ዝበሉ መሰረተ ልምዓታት ከይተረፈ በጺሕዎ እዩ\" ኢሎም ፈጻሚ ስራሕ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ\/ር ሙሉ ነጋ። ንሶም ነዚ ርእይቶ'ዚ ዝሃቡ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ እዩ። ቀዳማይ ክፋል'ቲ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8D%88%E1%8C%BB%E1%88%9A-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8C%8A%E1%8B%9A%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%88%99%E1%88%89-%E1%8A%90%E1%8C%8B\/5803433.html"} {"headline":"መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ","content":"ሓቂ ኣብ ግምት ዘየእተው ወቐሳታት ክእረሙ ኣለዎም ክብሉ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቦም።ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ክልል ትግራይ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ይጥሓሱ ከምዘለው ገሊፀን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/5803545.html"} {"headline":"ሁማን ራይትስ ዎች ኣብ ናይ ኣክሱም 'ጭፍጨፋ' ዘውጽኦ ሪፖርት","content":"ተሓላቒ መሰላት ሁማን ራይትስ ዋች፡ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ታሪኻዊት ከተማ ኣክሱም ክሳብ 13 ዓመት ዕድመ ዝርከቡ ቆልዑ ኸይተረፈ ዝርከብዎም ብዙሓት ሲቪላት ጨፍጪፎም ኢሉ። ሁማን ራይትስ ዋች እቲ ጭፍጨፋ ዝተፈጸመ፡ ምልሻ ትግራይን ነበርቲ`ታ ከተማን ነቶም ሓይልታት ኤርትራ ድሕሪ ምጥቕዖም`ዩ ይብል ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሓቅነት ግህሰት ኣክሱም ባዕለይ ከጻርዮ`የ ንገበነኛታት ድማ ናብ ፍትሒ ከቕርብ`የ ክብል ከሎ፡ መንግስቲ ኤርትራ ድማ፡ ኣብ ጭፍጨፋ ማይካድራ ተሳቲፎም ናብ መዓስከር ስደተኛታት ዝሃደሙ ኣባላት ህወሃት ሓቀኛ ምስክራት ክኾኑ ኣይክእሉን ዝብል መልእኽቲ ዝሓዘ ምላሽ ብሚንስተር ዜናኡ ጌሩ ሂቡ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%81%E1%88%9B%E1%8A%95-%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%89%B5%E1%88%B5-%E1%8B%8E%E1%89%BD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%8A%AD%E1%88%B1%E1%88%9D-%E1%8C%AD%E1%8D%8D%E1%8C%A8%E1%8D%8B-%E1%8B%98%E1%8B%8D%E1%8C%BD%E1%8A%A6-%E1%88%AA%E1%8D%96%E1%88%AD%E1%89%B5-\/5803497.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ብውሕዱ 4.5 ሚልየን ህዝቢ ሓገዝ ከምዘድልዮ ሕ\/ሃ ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ብውሕዱ 4.5 ሚልየን ህዝቢ ሓገዝ ከምዘድልዮ ኣወሃሃዲ ህጹጽ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ማርክ ሎውኮክ ንባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሽሕ`ኳ ኣብዚ ቐረባ እዋናት ምምሕያሻት እንተሎ፡ ኣብ ምሉእ ትግራይ ንዝርከቡ ተጸበይቲ- ረድኤት ንምብጻሕ ዝያዳ ክስራሕ ኣለዎ ኢሉ። ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል ገንዘብ ክውስኽ ንባይቶ ጸጥታ ከምዝሓበረ`ውን ወሃቢ ቓል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ስተቨን ድጃሪክ ንሪፖርተራት ሓቢሩ`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%8B%8D%E1%88%95%E1%8B%B1-4-5-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%A8%E1%8A%95-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%B5%E1%88%8D%E1%8B%AE-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5803625.html"} {"headline":"ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢን ተሓለቅቲ መሰላትን ኣሜሪካ ኣብ ክልል ትግራይ ተአሲሮም ዝነበሩ 4 ጋዜጠኛታት ምፍትሖም ከምዘሓጎሶም ገሊጾም","content":"ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢን ተሓለቅቲ መሰላትን ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት ምፍትሖም ከምዘሐጎሶም ብምግላፅ ፤ ጋዜጠኛታት ዝርእይዎም ዘይምርግጋኣት ኣብ ምቅላዕ ልዑል ግደ ከምዘለዎም ኣብሪሆም ። ቢቢሲ ኣብ ኣገልግሎት ቋንቋታት ዝሰርሕ ጋዜጠኝኡ ግርማይ ገብሩ ምፍትሑ ዘረጋገፀ ኮይኑ \"ሙሉእ መብርሂ ክወሃበኒ ይፅበ ኣለኹ \" ኢሉ ። ንዜና ወኪል ፈረንሳ \/AFP\/ ተርጓማይ ኮይኑ ዝሰርሕ ፣ ንጋዜጣ እንግሊዝ ፋይናንስ ታይምስን ከምኡ'ውን ንኒውዮርክ ታይምስ ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም ክብሉ ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምኽትል ኣመሓዳሪ ኣቶ ኣበበ ገ\/ህይወት ይሕደጎ ንሮይተርስ ሓቢሮም ኣለው ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8B%88%E1%8A%A8%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%88%E1%89%85%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%8A%A0%E1%88%B2%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A9-4-%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%96%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%93%E1%8C%8E%E1%88%B6%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D-\/5802104.html"} {"headline":"መግለጺ ላዕወይቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕ\/ሃ ብዛዕባ ኩነታት ትግራይን ዝወጽኦ ምላሽ መንግስቲ ኢትዮጵያን","content":"ላዕለወቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባሽለት ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዘውፅእኦ መግለፂ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ክልል ትግራይ ይመፁ ዘለው ከቢድ፣ ቀፃልንነትን ተኣማንን ፀብፃባት መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ቕልጡፍ ድልየት ተበፃሕነት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘድሊ ተጽዕኖ ዝህብ እዩ ኢለን። ንሰን ይብፅሕወን ዘለው ሪፖርትታት ቀፀልቲን ከበድቲ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን መግሃስትታት ብቕልጡፍ ምምርማር የድሊ እዩ ኢለን። መንግስቲ ኢትዮጵያ መንግስቲ ንልዕልነት ሕጊ ንምስፋን የካይዶ ንዘለው ስጉምትታት ዘዐንቅፍ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ተበግሶ ዘለዎም ወፍርታት የካይዱ ኣለው ክብል ነፂጉዎ ኣሎ። ‘'ብኹሎም ወገናት ዝተፈፀሙ ብዓሚቕ ዘጨንቑ ፀብፃባት ፆታዊ መድፈርትን ኣብ ፆታ መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲን፣ብዘይሕጊ ምቕታል፣ሰፊሕ ዕንወትን ስርቅ ናይ ህዝብን ውልቀሰባት ንብረት ይበፅሑና ኣለው፤ ብፍላይ ኣብ ማእኸላይ ትግራይ ውግእ ምቕፃሉ ፀብፃባት ኣለው’' ኢለን ባሸለት። ንሰን ብምውሳኽ \"ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ኣብ ግጭት ትግራይ ይሳተፉ ዘለው ኩሎም ወገናት ዓለምለኸ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላትን ሕጊ ሰብኣውነትን ብከቢድ ምጥሓሶም ዝሕብሩ እሙናት ሓበሬታታ ምውፅኦም ቀፂሎም ኣለው’’ ኢለን። መግለፂአን ብምቕፃል ባችለት \"ቕልጡፍ፣ ዘይወገናውን ነፃን ምርመራታትን ብምክያድ ፈፀምቲ ዘይሕተቱ እንተኾይኖምን እቶም መግሃስትታት ብዘይተሓታትነት ዝቕፅሉ እንተኾይኖምን እቲ ኩነታት ንነዊሕ እዋን ተኣፋፊ ኮይኑ ከይቕፅል ስግኣት ኣለኒ’’ ኢለን። እቲ ፀብፃብ ሓይልታት ፀጥታ ለካቲት 9ን 10ን 2021 ኣብ ከተማታት ዓዲግራት፣ መቐለ፣ሽረን ውቕሮን ንሸሞንተ ሰልፈኛታት ከምዝቐተሉ እሙን ምጭታት ምግላፆምን ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት ተዋሳእቲ ስርቂ ከምዘሎን ይገልፅ ። እቲ መግለፂ ኣብ ታሕሳስን ጥርን ኣብ ሆስፒታላት መቐለ፣ ዓይደር፣ ዓዲግራትን ውቕሮን ልዕሊ 136 ፀብፃባት ፆታዊ ዓመፃት ከምዝቐረቡን ጥርዓን ዘይቀረበሎም ፆታዊ ምግሳስ ካብኡ ዝበዝሕን ከምዝኸውን ዝሕብር እዩ ይብል ። መንግስቲ ምርመራ የካይድ ኣለኹ ኢሉ ኣሎ። እቲ ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ልዕሊ ከተማታት መቐለ፣ ሑመራን ዓዲግራትን ደብዳብ ከበድቲ ብረት ከምዝተፈፀመን ኣብ ከተማ ኣክሱምን ማሪያም ዳንገላትን ብወታሃደራት ኤርትራ ቅትለት ሓዊሱ ከቢድ ጥሕሰታትን መግሃስታትን ሰብኣዊ መሰላት ምፍፃምም ዝተዋደደ ሓበሬታ ኣሎ ኢሉ ኣሎ ። እቲ መግለፂ ኣብ ዝቐረበ ሓበሬታ መሰረት ገይሩ ዝተኻየደ መባእታዊ ገምጋም ናይ ኢትዮጵያ ሓይልታት ምክልኻል፣ ህወሓት፣ ሰራዊት ኤርትራ፣ናይ ኣምሓራ ክልላዊ ሓይልታትን ተሓባበርቶምን ሓዊሱ ኣብ ግጭት ትግራይ ዝተሳተፉ ብዙሓት ተዋሳእቲ ምስ ገበናት ኵናትን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጡር ዝፍፀሙ ገበናትን ክዳረጉ ዝእኽሉ ከቢድ ጥሕሰት ዓለምለኸ ሕጊ ምፍፃሞም ዝሕብሩ እዮም ኢሉ ኣሎ ። ብዙሓት ተዋሳእቲ ኣብ ዘለውሉን ፈፂምካ ኣሉ ምባልን ኣፃብዕቲ ምውጥዋጥን ኣብ ዘለሉ ነፃን ቅኑዕን ገምጋም ምግባር ኣድላይ ምዃኑ ንፁር እዩ ዝበላ ሚሸል ባችለት ግዳያትን ካብቲ መጥቓዕቲ ዝድሓኑን ዘለዎም መሰል ሓቅን ፍትሕን ክክልከሉ የብሎምን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንቤት ፅሕፈት ኮነ ካልኦት ነፃ ኣካላት ናብ ትግራይ ክኣትው ክፈቅድ ንፅውዕ ኢለን ኣለዋ። ነዚ ብናይ ሕቡራት ሃገራት ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ንጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ሚሸል ባችለት ዝወፀ መግለፂ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊድ ዝተውሃበ ምላሽ የለን።እንተኾነ ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ \" ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ\" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጽኦ ዝርዝር መግለጺ፡ ነቲ ወፍሪ ንክብገስን ፈደራል መንግስቲ ጣልቃ ንክኣቱን ዝደፍኦ እቲ \"ወንጀለኛ\" ዝበሎ ጉጅለ ህወሓት \"ፈጺምዎም\" ዝበሎም ጥሕሰታት ሕገ-መንግስቲ፡ ብግልጺ ዘርእዩ መብርህታት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ምውጽኡ ኣዘኻኺሩ`ሎ። ጉጅለ ህወሓት \" ንሕገ መንግስቲ ዝሕልዉ ሓይልታት ምክልኻል እዚ ሰሜን፡ ኮነ ተባሂሉ ዝተወሃሃደን ዘስካሕክሕን መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ ብመሰረት ሕጊ`ዛ ሃገር ከቢድ ናይ ክሕደት ገበን ፈጺሙ`ዩ\" ኢሉ። ማንም ውልቀሰብ ኮነ ኣካል ኣብ ሃገራዊ ይኹን ዓለምለኻዊ ደረጃ፡ ካብ ናይ ሃገሩ ሕጊ ወጻኢ ክኸውን ከምዘይክእልን መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ሕጊ ናይ ምኽባርን ነታ ሃገር ክከላኸለላን ግዴትኡ ኣብ ምፍጻም ምዃኑ እቲ መግለጺ የመልክት። መንግስቲ ኣብዚ እዋን`ዚ ኣብ ክልል ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ ክልተ ገጽ ዘለዎ ምዃኑ እቲ ሓደ ዘድሊ ሰብኣዊ ረድኤት ምብጽሑ ብምርግጋጽ- ነቲ ኽልል መሊስካ ምህናጽ ምዃኑ ገሊጹ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%8B%88%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%90%E1%88%AD-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%89%A5%E1%8B%9B%E1%8B%95%E1%89%A3-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%8C%BD%E1%8A%A6-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%BD-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95\/5801881.html"} {"headline":"ወሃቢ ቃል ክልል ኣምሓራ፡ ‘መግለጺ ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ተቀባልነት ዘይብሉ እዩ’ ይብል","content":"ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንትኒ ብልንክን ‘ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ካብ ትግራይ ምውጻእ እቲ ቀዳማይን ኣገዳሲን ስዳሮ እዩ። ስዒቡ ኩሎም ኣብ’ቲ ውግእ ዝሳተፉ ሓይልታት፣ ባዕላዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ክትግብሩን ናብ ሙሉእ ትግራይ ሓገዝ ብዘይገለ ዕንቅፋት ዝባጻሓሉን ኩነታት ንክመቻችውን ተገዳስነት ከርእዩን ኣለዎም’ ከምዝበሉ ዝዝከር እዩ። ፓርቲ ዓረና ንዴሞክራሲን ሉኣላዊነትን ብወገኑ ተመሳሳሊ ጻውዒት ትማሊ ከምዘቅረበ ይፍለጥ። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝዘርገሖ ሰሙናዊ መግለጺ \"ኢትዮጵያ ኣብ ዘቤታዊ ዛዕባታታ፣ ናይ ዝኾነ ጣልቃ ምትእትታው ከምዘይተታኣናግድ\" ኣፍሊጡ አሎ። ወሃቢ ቃል’ቲ ቤት ዕዮ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ርክብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰላማዊ እዩ ዝበለ እቲ መግለጺ፣ ኣብ ቀጻሊ’ውን ነባሪ ርክባት ንግዲን ዞባዊ ጽምዶታትን ንምምስራት ይስራሕ ኣሎ ኢሎም ። ነዚ ኣመልኪቱ ግብረ መልሲ ዝሃበ ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ አቶ ጌታቸው ሙሉነህ \"ጸግዓ ጸግዒ ካብ ምዝራብ፣ ብንጹር ክባሃል ኣለዎ። ራያን ከባቢኡን፣ ወልቃይን ከባቢኡን፣ ወልቃይት፣ ጸገዴ፣ ሰቲት ሑመራን ወሲኻ፣ ራያ፣ ኣላማጣ፣ ኮረም፣ ራያ ዓዘቦን ማለትና እዩ፣ እዞም ከባቢታት’ዚኦም ኣብ ታሪኽ ናይ ትግራይ ኮይኖም ኣይፈልጡን’ ኢሉ። ደጋዊ ኣካላትን ካልእ ዝተጠቀሰ ተቃዋማይ ፓርቲ (ዓረና ፓርቲ ማለቱ’ዩ) ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ሓሳብ ምቅራቦም፣ ወይ ክሲ እንተኾይኑ’ውን፣ ቁምነገር ዘይብሉ እዩ። ቅኑዕ መደምደምታ’ዩ ዝብል እምነት’ውን የብልናን። እዚ ጉዳይና’ዩ፣ ዘቤታዊ ዋኒና እዩ። ወሃቢ ቃል ክልል ኣምሓራ ኣቶ ጌታቸው ሙሉነህ \"ሓይሊታት ክልል ኣምሓራ ካብ ክልል ትግራይ ይውጽኡ ዝብል ሓረግ ቅኑዕ ኣይኮነን ዝብል መግለጺታት ኣብ ሚድያታትና ከይተረፈ ኣነጺርና ኣለና። ሎሚ’ውን መርገጺና ኣይተቀየረን’\"ኢሉ ። ምሉእ ት ሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A2-%E1%89%83%E1%88%8D-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AD-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%89%B0%E1%89%80%E1%89%A3%E1%88%8D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8A%A5%E1%8B%A9-%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-\/5800471.html"} {"headline":"ሚ\/ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ምስ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ብስልኪ ምዝርራቡ ኣፍሊጡ","content":"ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ንቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ብስልኪ ምዝርራቡ ኣፍሊጡ። ብሊንከን ኣብቲ ሓጺር ናይ ትዊተር መልእኽቱ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝቐጸሉ ቀውስታት ን ኣሜሪካ​ ዘተሓሳስቡ ምዃኖም ንቀዳማይ ሚንስተር ከምዝገለጸሉ ኣፍሊጡ። እቲ ግጭታት ደው ክብል ንድሕነት ሲቪላት ንምሕላው ህጹጽ ስጉምቲ ክወስድ ከምዘተሓሳሰቦን፡ ኣሜሪካ​ ንግጭታት ኣብ ምፍታሕ ንምሕጋዝ ድልውቲ ምዃና ከም ዘፍለጦን ብሊንከን ገሊጹ`ሎ። ወሃቢ ቓል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ​ኔድ ፕራይስ ኣብ መርበብ ሓበሬታ'ቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ \"ብሊንከን ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር​ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ምይይጥ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታትን ቀውሲታት ሰብኣዊ መሰላትን፡ ንኣሜሪካ​ ዘተሓሳስብዋ ምዃኖም ኣሐይሎም ገሊጾምሎም\" ይብል::\\n\\nፕራይስ ብምቕጻል፡ ኣብቲ ክልል ብዛዕባ ዝተፈጸሙ ናይ ጭካነ ተግባራት፡ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን በደላትን ዘርእዩ ተኣመንቲ ጸብጻባት ቁጽሮም እናወሰኸ ምዃኑ ብሊንከን ንቀዳማይ ሚኒስትር ​ ከምዘልዓለሉን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ወሲኽካ፡ ናይ ሲቪላት ድሕነት ንምሕላው፡ ከምኡ`ውን እቲ ህውከት ንኸይቅጽል ንምክልኻል፡ህጹጽን ጭቡጥን ስጉትታት ንክወስድ ምትሕስሳቡ ኣመልኪቱ`ሎ። ኔድ ፕራይስ ኣተሓሒዙ \"እቲ ግጭት ቀልጢፉ ደው ንክብል፡ ናይ ክልል ኣምሓራ ሓይልታት ጸጥታን ወተሃደራት ኤርትራ ዝርከብዎም ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ትግራይ ንኽወጹ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ብሊንከን ኣጥቢቖም ሓቲቶሞም ኢሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ተፈጺሞም ብዛዕባ ዝተባህሉ፡ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን በደላትን፡ ናጻን ተኣማንን መርመራ ንከዳልው፡ ምስ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ንክሰርሕ፡ ንፈጸምቲ`ቲ ተግባራት ድማ ብተሓታታይነት ንክሕዝ- ሚስተር ብሊንከን ምትሕስሳቡ ፕራይስ ኣመልኪቱ`ሎ። ናብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይ ገደብ ክኣቱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምፍቃዱ ኣፍልጦ ከምዝህብ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምግላጹን፡ ዝተኣተወ ቃል ንክኽበር ምሕታቱ፡ ከምኡ ድማ ኣሜሪካ ንጸገም ንዝተቓልዑ ኢትዮጵያውያን ህይወት ኣድሕን ረድኤት ምልጋሳ ከም ትቕጽል፡ምርግጋጹ ወሃቢ ቃል ኔር ፕራይስ ኣመልኪቱ`ሎ። ብኻልእ ወገን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ \"ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ\" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጽኦ ዝርዝር መግለጺ፡ ነቲ ወፍሪ ንክብገስን ፈደራል መንግስቲ ጣልቃ ንክኣቱን ዝደፍኦ እቲ \"ወንጀለኛ\" ዝበሎ ጉጅለ ህወሓት \"ፈጺምዎም\" ዝበሎም ጥሕሰታት ሕገ-መንግስቲ፡ ብግልጺ ዘርእዩ መብርህታት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ምውጽኡ ኣዘኻኺሩ`ሎ። ጉጅለ ህወሓት \"ንሕገ መንግስቲ ዝሕልዉ ሓይልታት ምክልኻል እዚ ሰሜን፡ ኮነ ተባሂሉ ዝተወሃሃደን ዘስካሕክሕን መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ ብመሰረት ሕጊ`ዛ ሃገር ከቢድ ናይ ክሕደት ገበን ፈጺሙ`ዩ\" ኢሉ። ማንም ውልቀሰብ ኮነ ኣካል ኣብ ሃገራዊ ይኹን ዓለምለኻዊ ደረጃ፡ ካብ ናይ ሃገሩ ሕጊ ወጻኢ ክኸውን ከምዘይክእልን መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ሕጊ ናይ ምኽባርን ነታ ሃገር ክከላኸለላን ግዴትኡ ኣብ ምፍጻም ምዃኑ እቲ መግለጺ የመልክት። መንግስቲ ኣብዚ እዋን`ዚ ኣብ ክልል ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ ክልተ ገጽ ዘለዎ ምዃኑ እቲ መግለጺ ብምሕባር እቲ ሓደ ዘድሊ ሰብኣዊ ረድኤት ምብጽሑ ብምርግጋጽ- ነቲ ኽልል መሊስካ ምህናጽ ምዃኑ ገሊጹ`ሎ። ስለዚ ድማ መሰረት ልምዓት እናተሃነጸ ምዃኑን ንዜጋታት ኣድላዪ ኣገልግሎታት ንምሃብ ምምሕዳራዊ ስራሓት ከምዝተመልሱ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብቲ መግለጺኡ ሓቢሩ`ሎ። መንግስቲ እቲ ካልኣይ ኢሉ ዝጸውዖ መንቅስቓስ ድማ፡ ገበን ዝፈጸሙ ሰባት ናብ ፍትሒ ናይ ምቕራቦም ስራሕ ምዝዛም ምዃኑን፡እዚ`ውን ኣብቲ ክልል ሕጂ እናተዓመ ምኻኑ- እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%89%A5%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8A%AA-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%88%AB%E1%89%A1-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5800342.html"} {"headline":"ባይቶ ጸጥታ ሕ\/ሃ ንሰብኣዊ ኩነታት ክልል ትግራይ ዝምልከት ዕጽው አኼባ ከካይድ ምዃኑ ተሓቢሩ","content":"ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ብዝምልከት ፅባሕ ሓሙስ ኣኼባ ከካይድ ምዃኑ ንዲፕሎማሰኛታት ጠቂሱ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ ። እዚ ኣየርላንድ ዝፀወዐቶ ኣብ ዕፁው ማዕፆ ፅባሕ ሓሙስ ፍርቂ መዓልቲ ዝጅምር ኣኼባ ሃገራት ኣባል ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሓባራዊ መግለፂ ከውፃኣሉ ዘኽእል ውሕስና ከምዘይብሉ እቶም ዲፕሎማሰኛታት ወሲኾም ሓቢሮም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8B%95%E1%8C%BD%E1%8B%8D-%E1%8A%A0%E1%8A%BC%E1%89%A3-%E1%8A%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%91-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5800324.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታትን ተርጎምትን ተፈቲሖም","content":"ሎምቅነ ኣብ ከተማ መቐለ ብሓይልታት ፌደራል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ዝነበሩ ጋዜጠኛታትን ተርጎምቲ ናይ ወፃኢ መራኸቢ ማዕኸናትን ሎማዕንቲ ረቡዕ ብነፃ ተፈቲሖም።ናይ ገሊኦም ሞባይል ስልክታትን ኮምፒተርን ግን ከምዘይተመለሰሎም ንቪኦኤ ገሊፆም ኣለው። ጋዜጠኛ ግርማ ገብሩ ኣብ ዝነብረሉ ከባቢ ኣብ ሓደ ካፌ ምስ ኣዕርኽቱ እናሃለወ ብርክት ዝበሉ ወታደራትን ኣባላት ድሕነትን ነቲ ከባቢ ከቢቦም ሞባይል ስልክኹም ሃቡ ኢሎም ምስ ሓሙሽተ ርእሱ ናብ ወታደራዊ ኮሌጅ ወሲዶም ምስ ኣሕደሩዎም ትማሊ ብፌደራል ፖሊስ ናብ ዝምራሕ መደብር ፖሊስ ተወሲዶም ብነፃ ከምዝተፈትሐ ገሊፁ። ምኽኒያት ናይ መእሰሪኡ ከምዘይተነገሮ ብምግላፅ ዝተመስረቶ ክሲ የለን ኢሉ።እቶም ምስኡ ብሓባር ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣርባዕተ ብዋሕስ ንሱ ግን ብነፃ ከምዝወፀ ወሲኹ ገሊፁ ኣሎ። ንጋዜጠኛ AFP ኣስተርጓሚ ኮይኑ ይሰርሕ ዝነበረ ፍፁም ብርሃነ ዝሓለፈ ዓርቢ ለይቲ 20 ለካቲት 2013 ዓ\\ም15 ዝኾኑ ወታደራትን ስቪል ዝተኸደኑ ናይ ድሕንነት ሰባትን ናብ ገዝኡ መፂኦም ከምዝኣሰሩዎን ንሰለስተ ማዕልታት ኢዱ ብሸንሸል ተኣሲሩ ብዙሕ ምፍርራሕ ከምዝወረዶን ሓቢሩ። ገዝኡ ተበርቢሩ ገለ ናውቲ ከም ዝተወሰዶ ዝሓበረ ንሱ ብነፃ ክፍታሕ ከሎ ሞባይል ስልኪ፣ላፕቶፕን ሃርድ ዲስክን ኣብ ኢድ ፖሊስ ከምዝርከብ ሓቢሩ። ኣብ መጀመሪያ ማዕልቲ ስድርኡ እውን ኣበይ ከምዘለው ኣይፈልጡ ነይሮም ዝበለ ንሱ እቲ ምፍርራሕ ክሳብ ክነቐትለካ ኢና ኢሎም ሽጉጥ ኣብ ግንባሩ ክሳብ ምግባር ሰፊሕ ምፍርራሕ ከምዘጋጠሞ ሓቢሮም። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ግራማይ ገብሩ ኣብ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ንልዕሊ 12 ዓመታት ሰሪሑ እዩ።እቶም ዝተፈትሑ ግርማይ ገብሩ፣ፍፁም ብርሃነ፣ናይ ፋይናንሻል ታይምስ ተርጓሚ ኣሉላ ኣካሉን ንዝተፈላለያ ሚዲዲያታት ዝሰርሕ ጋዜጠኛ ታምራት የማነን እዮም። ብዛዕባ እዚ ካብ ሰበስልጣን ክልል ትግራይን ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል ደምበላሽ ገብረሚካኤልን መብርሂ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን። ንጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ሲፒጀይ ኣብ መቐለ ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ክፍትሑ ሓቲቱ ነይሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/journalists-and-translators-released-from-prison-in-mekele\/5800302.html"} {"headline":"ዓረና ንዴሞክራሲን ሉኣላዊነትን ንዘውጸኦ እዋናዊ መግለጺ ተመስሪቱ ዝተካየደ ቃል ምልልስ","content":"ፓርቲ ዓረና ንዲሞክራሲን ሉኣላዊነትን \"ኣብ ትግራይ ህዝቢ ንከይረጋጋእ ጠንቂ ኮይኖም ዘለው ክልተ ምኽንያታት፣ ሓደ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝነበሩ ቦታታት፣ ካብ ሕገ መንግስቲን ካብ ሕጊን ወጻኢ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክልል ኣምሓራ ምውዳቆም፣ እቲ ካልኣይ፣ ባዕዳዊ ሰራዊት ማለት ሰራዊት ኤርትራ ንብርክት ዝበሉ ከባቢታት ትግራይ ተቆጻጺሩ ስለዘሎ'ዩ\" ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ ። መግለጺ ዓረና ከምዝሓበሮ \"ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ዕጡቃትን ሲቪላት ሞይቶም፣ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቁጸሩ ዜጋታት ተፈናቂሎም፣ ሚልዮናት ድማ ንሕጽረት መግቢ ተቃሊዖም፣ ብቢልዮናት ዝግመት ትሕተ ቅርጺ በሪሱ፣ ብዙሕ ንብረት መንግስቲን ውልቀ ሰብ ሃብቲን ተዘሚቱ\" ይብል። ብሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዝተታሓዙ ከባቢታት ይወርድ ኣሎ ዝበሎ ህልቂት ከቢድ ከምዝኾነ ካብ ነበርቲ’ቲ ከባቢታት ዝኾኑ ኣባላቱ ሓበሬታ ከምዝረኸበ ዝጠቅስ መግለጺ ዓረና ኣብ ኣጽቢ፣ ዕዳጋ ሓሙስ፣ ኣኽሱምን ካልኦት ከባቢታትን ዝተፈጸሙ ቅትለታት ክሳብ ሎሚ ብወግዒ አይተጸብጸበን ኢሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዘጻሪ ኣካል መርመራ ኣካይዱ እንተተረኺቡ ፈጸምቱ ናብ ሕጊ ክቀርቡ እዮም ክብል ከሎ ካብ ወገን መንግስቲ ኤርትራ ግና ክሳብ ሎሚ ወግዓዊ መልሲ ኣይተረኸበን። ኣብ’ዚ ቀረባ ንሪፖርት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ግብረ መልሲ ዝሃቡ ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገ\/መስቀል ነቲ ሪፖርት ‘ናይ ሓሶት ሪፖርት’ ከምዝበልዎ ይፍለጥ። ‘አምነስቲ ኢንተርናሽናል፣ ኣብ ኣኽሱምን ካልኦት ከባቢታት ትግራይን ዝተፈጸመ ቅትለት፣ ጥፍኣትን ግፍዒን፣ ብገበን ኩናትን ገበን ኣንጻር ሰብኣዊነትን ዘሕትት ክኾን ከምዝኽእል’ ምጥቃሱ ዝዝከር እዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%8A%93-%E1%8A%95%E1%8B%B4%E1%88%9E%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%88%B2%E1%8A%95-%E1%88%89%E1%8A%A3%E1%88%8B%E1%8B%8A%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%8B%8D%E1%8C%B8%E1%8A%A6-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AA%E1%89%B1-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B0-%E1%89%83%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%88%8D%E1%88%B5-\/5798983.html"} {"headline":"ልኡኽ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኤርትራ ዝገበሮ ናይ 3 መዓልታት ምብጻሕ ፈጺሙ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ","content":"ኣብ ኤርትራ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ከካይድ ዝቀነየ ልኡኽ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኤርትራ ዝገበሮ ምብጻሕ ፈጺሙ ሎሚ 2 መጋቢት,2021 ናብ ሃገሩ ተመሊሱ። እዚ 20 ኣባላት ዝሕቖፈ ልኡኽ ስዑድያ ብመሰረት ብ26 ጥሪ ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ኣብ ሪያድ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፈለማ ኣኼባ ሓባራዊ ሚኒስተራዊ ቤት-ምኽሪ ኤርትራን ስዑድያን ዝተበጽሐ ናይ ምትሕብባር ስምምዕ ዝቖመ ኮይኑ፡ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን፡ ቁጠባውን ልምዓታውን ከምኡ’ውን ጸጥታውን ምክልኻላውን ዝብሉ ሰለስተ ንኡስ ኣካላት ዝሓቖፈ(ጉጅለ)’ዩ። እዚ ልኡኽ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓለን ሰለስተ መዓልታት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዓዲ ሃሎ ተራኺቡ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ንክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ሰፊሕ መግለጺ ከምዝተዋህቦ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ገሊጹ። ብዘይካ’ዚ እቲ ልኡኽ ኣብ ዞባታት ደቡብን ሰሜናዊ ቀይሕ ባህርን ማእከልን ዝርከቡ ናይ ልምዓት ቦታታት በጺሖም። ኣባላት ናይ’ዚ ልኡኽ ናብ ሃገሮም ቅድሚ ምብጋሶም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ቃለ- ምልልስ መልእኽቲ ንጉስ ስዑድያ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምዘብጽሑ ብምጥቃስ ዕላማ ዑደቶም ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታትን መንግስታትን ዝተጀመረ ናይ ምትሕብባር ርክብ ንምምዕባል ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%B5%E1%8B%91%E1%8B%B2-%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%88%AE-%E1%8A%93%E1%8B%AD-3-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%99-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%8A%E1%88%B1\/5798965.html"} {"headline":"ሪፖርት ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሰብኣዊ ጉዳያት ኣብ ሰብኣዊ ኩነታት  ክልል ትግራይ","content":"ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሰብኣዊ ጉዳያት(ኦቻ )ኣብ ዘውጽኦ ሪፖርት ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ኩነታት ሎሚ’ውን ጽንኩር እዩ ዘሎ፣ ውግእ ኣብ ምሉእ’ቲ ክልል ብሕልፊ ኣብ ማእከላዊ ዞባ ይጋፋሕ ከምዘሎ ሓበሬታ ይመጸና ኣሎ ይብል ። ብዘይካ'ዚ፣ ካብ ገዛ ናብ ገዛ ፍተሻ፣ ስርቂ፣ ምቅታልን ጾታ መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ሲቪላትን ይቅጽል ኣሎ ይብል። \"ዋላ’ውን ኣብ መላእ ትግራይ ብዙሕ መግቢ ይዕደል እንተሎ፣ ረድኤት ናብ’ቶም ኣዝዩ ዘድልዮም ሰባት ከምዝተባጸሐ ንምርግጋጽ ዝያዳ ስራሕቲ ቁጽጽር ንክህሉ\" ኦቻ ኣተሓሳሲቡ' ሎ። እቲ ሪፖርት ወሲኹ፤ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ትግራይ ንምብጻሕ ዘይተደረተ ምንቅስቃስ ትካላት ረድኤት ሎሚ’ውን ከምዘድሊ፣ ተግባራት መከላኸሊን ካልኦት ህይወት ኣድሕን ኣገልግሎታት ዝያዳ ንምብጻሕ ተወሳኺ ሓገዛት ከምዝጽበ ኣገንዚቡ ኣሎ። ኣብ’ዚ ሰዓት’ዚ ኣብ ትግራይ ኣገዳሲ ዝኾነ ሓገዝ ንምክፍፋል 33.9 ሚልዮን ዶላር ከምዘድሊ፣ 61 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ሱዳን ሰጊሮም ኣለው ይብል። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AA%E1%8D%96%E1%88%AD%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%95%E1%89%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/5798951.html"} {"headline":"ዶ\/ር ደብረጽየን ምስ ሲኤንኤን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ንመንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብምጽናት ዓሌት ከሲሶም","content":"መራሒ ሓይልታት ትግራይ ንመንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብምፅናት ዘርኢ ከሲሶም።ኣቦ ወንበር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ምስ መደበር ቴሌቭዥን ሲኤንኤን ኣብዘካየድዎ ናይ ስልኪ ቃለ ምልልስ ፌደራል መንግስትን መሻርኽቱ ኤርትራን ገበናት ምፅናት ዘርእን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ገበናት ብምፍፃምን ብምኽሳስ ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ልዕሊ \"ወረርቲ ሓይልታት’’ ኢሎም ዝፀውዕዎም ፀቕጢ ክገብሩ ፀዊዖም። ንሶም ኣብቲ ዝውቱር ዘይኮነ ምስ ሲኤንኤን ዘካየዱዎ ቃለ ምልልስ ንዝተፈፀመ ቕትለት፣ፆታዊ ዓመፅን ህውከትን ብነፃ ወገን ክምርመር ወሲኾም ፀዊዖም። \"ኣብዛ ሃገር ንህዝብና ይቐትሉዎ ኣለው፤ ንህፃናት፣ ዕድመ ከይፈለዩ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ኣካል ማሕበረሰብ ፆታዊ ዓመፅ ይፍፅሙ ኣለው’’ ኢሎም። ንሶም ኣብቲ ቃለ ምልልስ\"ኣብዚ ዞባ፣ኣብዛ ሃገር ሰላም ንደሊ ኢና፤ ኣብ ትግራይ ዝፍፀም ጭፍጨፋን ዕንወትን ጠጠው ንምባል ወረርቲ ሓይልታት ካብ ትግራይ ክወፁ ኣሜሪካ ክትደፍእ ንደሊ ኢና’’ ኢሎም ። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ናይ ኣምሓራ ሓይሊ ካብ ትግራይ ክወጹ ኣሜሪካ ንዘቕረበቶ ሕቶ ኣሜሪካ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ጣልቃ ትኣትው ኣላ \"ዘሕዝን’’ እዩ ክብል ትማሊ ሶኑይ መግለጺ ምሃቡ ይፍለጥ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ኣምነስቲ ዘውፅኦ ጭፍጨፋ ወታሃደራት ኤርትራ ተሳቲፎም ንዝብል ክሲ ነፂጉዎ ኣሎ። ጸብጻብ ሲኤንኤን ኣብዚ ምንባብ ይክኣል። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%92-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%B2%E1%8A%A4%E1%8A%95%E1%8A%A4%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5%E1%8B%8E-%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%88%8D%E1%88%B5-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8D%85%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%88%AD%E1%8A%A2-%E1%8A%A8%E1%88%B2%E1%88%B6%E1%88%9D\/5798935.html"} {"headline":"መበል 125 ዓመት በዓል ዓድዋ ተኸቢሩ","content":"መበል 125 በዓል ዓድዋ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸቢሩ። ሎሚ 23 ለካቲት ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ዝተረኸባሉ ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ዝተኻየደ ጽንብል ብዙሕ ህዝቢ ተረኺቡ ምንባሩ'ውን ተሓቢሩ'ሎ። ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዓወት በዓል ዓድዋ ኢትዮጵያዊያን ብዘይኣፈላላይ ተሰሊፎም ኢትዮጵያ ንክትኽበር ዝገበርሉ ምዃኑ ኣዘኻኺረን ። ንሰን ወሲኸን ንኣፍሪቃ ናይ ምምቕራሕ ናይ ኣውሮጳዊያን ሕልሚ ኣብ ግብሪ እንተተዝውዕል ነይሩ ሎሚ ፀሊም ህዝቢ ርእሱ ኣይመቕንዐን ነይሩ ሎሚ ዘሎ ኣቀማምጣ መሬት፣ ባህልን ቋንቋን ኢትዮጵያ ኣይምሃለወን ነይሩ፤ኩሉ ነገር ድማ ትሕቲ ሃገር እዩ ኢለን። \"ምስጢር በዓል ዓድዋ ኢትዮጵያዊያን ዝነበሮም ሓድነትን ምትሕስሳብን ፅንዓትን ሓቦን ልዕሊ ኩሉ ድማ ንኢትዮጵያ ዝነበሮም ፍቕርን ተኣማንነትን እዩ።እዚ ዘለኣለማዊ ክንገብሮ ይግባእ።ኢትዮጵያ ልዕሊ ውልቀሰብ፣ጉጅለ፣ፖለቲካ ፓርቲ ወዘተ ምዃና ዘየደራደሩ ነይሮም።ሎሚ እውን ዝኾነ ይኹን ነገር ትሕቲ ኢትዮጵያ ምዃኑ ኣሚናን ናይሃገርና ሰላምን ልምዓትን ብሓባር ጠጠው ክንብል ኣለና \"ኢለን። ዓወት ዓድዋ ቅድሚ 125 ዓመት ኣብ 1888 ዓ\\ም ወራሪ ሓይሊ ጣሊያን ንኢትዮጵያ ንምቁፅፃር ኣብ ዓድዋ ተደምሲሱ ዝተስዓረሉ እዩ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%A0%E1%88%8D-125-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8B%B5%E1%8B%8B-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%89%A2%E1%88%A9\/5798886.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ መቐለ ክልተ ጋዜጠኛታትን ክልተ ኣብ ስርሓት ትርጉም ዝስርሑ ውልቀሰባትን ምእሳሮም ተሓቢሩ","content":"ንትካል ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ብስራሕቲ ትርጉም ዘገልግል ፍጹም ብርሃነ: ዓርቢ ለይቲ፣ ከምኡውን ንፋይናንሻል ታይምስ ዘትርጉም ኣሉላ ኣካሉ ቅድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ከተማ መቐለ ብወትሃደራት ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ተባሂሉ። ብተወሳኺ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ትግርኛ ግርማይ ገብሩን ንዝተፈላለያ ሚድያታት ዝሰርሐ ጋዜጠኛ ታምራት የማነን ብሰበ ስልጣን'ቲ ክልል ከምዝተኣሰሩ እቶም ምንጭታት ወሲኾም ንንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም ለዉ። ብዛዕባ ምእሳር እቶም ጋዜጠኛታትን መሳርሕቲ ሪፖርተራትን ካብ ዝምልከቶ ቢሮ ርክብ መንግስቲን ህዝቢን ክልል ትግራይ ንምርግጋጽ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይሰለጠን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%88%AD%E1%8C%89%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%91-%E1%8B%8D%E1%88%8D%E1%89%80%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%88%B3%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5797443.html"} {"headline":"መግለጺ ሚ\/ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካን ግብረ መልሲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ኩነታት ትግራይ","content":"ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከንኣብ ትግራይ ተፈፂሞም ንዝተብሃሉ ጭፍጨፋ ብምኹናን ሕብረት ኣፍሪካን ዓለምለኸ መሻርኽትን ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝተኸሰተ ዓሚቕ ቅልውላው ክፍታሕ ክሕግዙ ብቅድሚ ትማሊ ቀዳም ፀዊዖም።ምንስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ኣብ ልዕሊ ጉዳያት ሓንቲ ልዑላዊት ሃገር ጣልቃ ከም ምእታው እዩ ኢሉ ኣሎ። ናይ ብሊንከ መግለፂ ሓደ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣሜሪካ ‘’ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው’’ኢሎም ንዝገለፁዎ ክስተት ክሳብ ሎሚ ካብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተውሃበ ምላሽ ብዝምክለት ጓህዮም እናዓበየ ምምፅኡ ዝሕብር እዩ። ናቶም መግለፂ ዝተሰምዐ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር 2013 ዓ\\ም ኣብ ውሽጢ 24 ስዓታት ንኣማእቲ ስቪላት ጨፍጪፎም ዝብል ሪፖርት ድሕሪ ምውፅኡ ድሕሪ ሓደ ማዕልቲ እዩ። ኤርትራ ነቲ ኽሲ ነፂጋቶ ኣሎ። ‘’ዩናይትድ ስቴትስ ተፈፂሙ ብዝተብሃለ ጭካነ ዝተመልኦ ግፍዕን ብሓፈሻ ኣብ ክልል ትግራይ እናኸፍአ ይኽይድ ብዘሎ ኩነታትን ኣዚዩ ኣተሓሳሲቡዋ ኣሎ’’ ኢሎም ብሊንከን። ንሶም ብምቕፃል ‘’ዓለምለኸ ኣጋራት ብፍላይ ሕብረት ኣፍሪካን ዞባዊ መሻርኽትን ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ብሕቡራት መንግስታትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ክሰርሑ ንፅውዕ’’ኢሎም ኣብ መግለፂኦም። ፌዴራል ሰራዊት ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ንህወሓት ካብ ስልጣን ምስ ኣባረረ ሎሚ እውን ብዝተሓተ ደረጃ ውግእ ቀፂሉ ይርከብ። ኣሽሓት ሰባት ሞይቶም፣ኣማእቲ ኣሽሓ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ልዕሊ ሓሙሽተ ሚሊዮን ህዝቢ ናይቲ ክልል ሕፅረት ምግቢ፣ማይን መድሓኒትን ኣጋጢሙዎ ይርከብ። ኢትዮጵያን ኤርትራን ወታደራት ኤርትራ ኣብቲ ግጭት ምስታፎም ኣሉታ ሂበናሉ ኣለዋ።ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፣ ዲፕሎማሰኛታትን ሓደ ወታደራዊ ጀነራል ኢትዮጵያን ሃለዋት ወታደራት ኤርትራ ገሊፆም እዮም።ሓደ ሽሙን ስልጣኑን ክግለፀሉ ዘይደለየ ወታደር ኤርትራ ንቪኦኤ ትግርኛ ኣብ ዝሃቦ ቃለ ምልልስ እውን ወታደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይም እታዎም ገሊፁ ምንባሩ ይዝከር። ኣካል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ብዘካየዶ መባእታዊ ምርምራ ወታደራት ኤርትራ ቁፀሮም ንዘይተፈልጡ ስቪላት ኣብ ኣክሱም ቀቲሎም ኢሉ ኣሎ።እቲ ቅትለት ቅድም ክብል ብወታደራት ህወሓት ንዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ሒነ ንምፍዳይ እዩ ኢሉ እቲ ኮሚሽን። ኣምነስቲ ኣብ ፀብፃቡ ከምዝሓበሮ ወታደራት ኤርትራ ንሰቡእትን ትሕቲ ዕድመ ኣዋዳትን ኣብ ጎደናታት ረሺኖም፣ሰፊሕ ስርቂ ንብረት እውን ፈፂሞም ኢሉ። ብሊንከን ኢትዮጵያ መግሃስትታት ሰብኣዊ መሰላት ክምርመር ዓለምለኸ ሓገዝ ከምእትቕበልን ብዘይደረት ሰብኣዊ ሓግዝ ክቐርብ ከምእትፈቅድን ቅርብቲ ምዃና ሓቢሮም ኣለው። ‘’ብዘይ ውዓል ሕደር ሓይልታት ኤርትራን ናይ ክልል ኣምሓራ ሓይልታትን ካብ ትግራይ ምውፃእ ኣገደስቲ ቀዳማይ ስጉምታት እዮም’’ኢሎም ኣለው ብሊንከን። ‘’እዚኦም ኣብቲ ግጭት ይሳተፉ ዘለው ኩሎም ወገናት ምቁራፅ ተፃብኦ ብምእዋጅን ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘለው ትካላት ብዘይደረት ረድኤት ከከፋፍሉ ፍቓድ ብምሃብን ክዕጀቡ ኣለዎም’’ኢሎም ብሊንከን ኣብ መግለፂኦም። ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ዘውፅኡዎ መግለፂ ንልዑላዊነት ኢትዮጵያ ዝዳፋእ እዩ ክብል ናይ ኢትዮጵያ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ። መሓዙት መንግስታት ነቲ ኩነትታት ብትኽክል ክግንዘቡዎ ኣብ ምርዳእን ዝተዛብዐ ብልዝብ ኣብ ምቅናዕን ኢትዮጵያ ፃዕሪ ከም እተካይድ ወሃቢ ቃል ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፆም። ‘’ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ናይዚ ነገዱ እዩ ናይዚ ነገድባ፣ናይዚ ወረዳ ናይቲ ወረዳ እዩ ምባልስ ንልኡላውነት ምድፋርዶ ኣይኸውንን እዩ ?’’ ኢሎም ዝሓተቱ ወሃቢ ቃል ኣማባሳደር ዲና ሙፍቲ ‘’እዚ ብመንፅር ሞራል ይኹን ምኽባር ዓለምለኸ ሕጊ ልኡላዊነት ንምኽባር ካብ ዝወፁ ሕግታት ናይዚ ኣየኽይድን ኢና ንብል ዘለና’’ ኢሎም። ብዛዕባ ተፃብኦ ጠጠው ምባል ብዝምልከት ንህወሓት ምስታፍ ዝክኣል እንተኾይኑ ዝተሓተቱ ኣማባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዝኾነ ይኹን ምይይጥ ኣይህልን ልዝብን ስምምዕን ዝካየድ ምስ ዘሎ ሓይሊ እዩ፤ዘየለ ሓይሊ ደሊኻ ክተምፅኦ ኣይትኽእልን ኢሎም። ሰብኣዊ ረድኤት ዘቕርቡ ክኸዱ እንተደልዮም ብዘይገደብ ይፍቀደሎም እዩ ኢሎም።መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ነፃን ገለልተኛን ኣካል ከፃሪ ይኽእል ዝብል መርገፂ ምትሓዙ እውን ሓቢሮም ኣለው ወሃቢ ቃል ኣማባሳደር ዲና ሙፍቲ። ኣብ መግለፂ ምንስቴር ወፃኢ ብሊንከን ዝተገለፀ ብዛዕባ ምስሓብ ወታደራት ኤርትራ ዝምልከት ግና እቶም ኣማባሳደር ሪኢቶ ኣይሃቡሉን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/us-calles-on-afircan-union-expert-pressure-over-the-worsening-crisis-in-ethiopia-tigray\/5797444.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ውጥረት ንምፍታሕ ክሰርሕ ሰብ ሃብቲ'ቲ ከባቢ ጸዊዖም","content":"ንግዝኣት ኢትዮጵያ ጥሒሱ ኣትዩ ዝበልዎ ሰራዊት ሱዳን መንግስቲ ፍታሕ ክረኽበሉ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ሕርሻ ወፍሪ ዝገበሩ ሰብ-ሃብቲ ሓቲቶም። እኽሎም ኣብ ምእካብ ከለዉ እቲ ኩነታት ከምዘጋጠመ`ውን ይገልጹ። ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝድገፍ ናይ ኣምሓራ ፍሉይ ሓይልን ሚልሻን ንሰራዊት ሱዳን ካብቲ ዝሓዞ ቦታ ኣልቂቕዎ`ዩ ዝብል ወረ ግን ሓቂ ከምዘይኮነ ነበርቲ`ቲ ከባቢ ንድምጺ ኣሜሪካተዛሪቦም ኣለዉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8C%A5%E1%88%92%E1%88%B1-%E1%8A%A0%E1%89%B5%E1%8B%A9-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%88-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%92-%E1%8A%A8%E1%8A%93%E1%8B%B5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2-%E1%8B%88%E1%8D%8D%E1%88%AA-%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B1-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%96%E1%88%9D\/5797316.html"} {"headline":"ንሪፖርት ኣሜሪካ መሰረት ዝገበረ ጸብጻብ ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ክልል ትግራይ ግፍዒን ስልታዊ ወፍሪ ምፅናት ዓሌት ምክያዱ ገሊጹ","content":"ንውሽጣዊ ሪፖርት ኣሜሪካ መሰረት ገይሩ ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ብኣብዝሓ ዕጡቃት ኣምሓራ ተቆፃፂሮሞ ዝርከብ ክልል ትግራይ ስልታዊ ወፍሪ ምፅናት ዓሌት ተካይድ ኣላ ኢሉ ። ብሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶንቶ ብሌንከን ብቀዳም ኣብ ዝወጸ መግለፂ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ብግፍዒ ይፍፀም ኣሎ ዝበልዎ ጭፍጫፍን ብሓፈሻ ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ዕንወትን ከምዘሻቀሎም ገሊፆም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%88%AA%E1%8D%96%E1%88%AD%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%8C%B8%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%89%A5-%E1%8A%92%E1%8B%8D%E1%8B%AE%E1%88%AD%E1%8A%AD-%E1%89%B3%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%8D%8D%E1%8B%92%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%8B%88%E1%8D%8D%E1%88%AA-%E1%88%9D%E1%8D%85%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8B%93%E1%88%8C%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8B%AB%E1%8B%B1-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5797297.html"} {"headline":"‘ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ካብ ትግራይ ምውጻእ እቲ ቀዳማይን ኣገዳሲን ስዳሮ እዩ’ ኢሎም ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ","content":"በቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጸመ ግፍዒን የንቆልቁል ዘሎ ኩነታትን ዩናይትድ ስቴትስ ኣዝያ ተሻቂላ አላ። ዝተፈላለያ ትካላት ኣብ ትግራይ ቅትለት፣ ኣስገዳድ ምፍንቃልን ስደትን፣ ጾታዊ ምድፋርን ካልኦት ከበድቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ብዝተፈላለዩ ወገናት ፈጺሞም እዮም ስለዝበሉ፣ ዩናይትድ ስቴትስ ነቶም ግብሪታት ብጽኑዕ ትኹንኖም። በቲ የንቆልቁል ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት’ውን ተሻቂልና ኣለና። ዩናይድ ስቴትስ፤ ኣብ ኣገዳስነት ምቁራጽ ውግእ፣ ሰብኣዊ ቀረባት ናብ ኩሉ ስፍራ ብዘይደረት ንክባጻሕ፣ ሙሉእ፣ ናጻ፣ ዓለም ለኸ ምርመራ እቶም ተፈጺሞም ዝባሃሉ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት፣ ዓመጻትን ግፍዒታትን ንክጻረዩ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ደጋጊማ ሓቲታ እያ። ፈጸምቲ’ቶም ግፍዒታት’ውን ናብ ፍርዲ ክቀርቡ ኣለዎም። ዩናይትድ ስቴትስ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብ ጥሪ 26 ዝወጸ መግለጺ ኣፍልጦ ትህብ። ሚኒስትር ወጻኢ ኢትዮጵያ ብወገኑ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ሙሉእ ትግራይ ብዘይደረት ከምዝባጻሕ ጠቂሱ ነይሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ እቶም ዝተፈጸሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዓመጻትን ንክጻረዩ ንዝቀረበሉ ዓለም ለኸ ደገፍ ከምዝቅበልን ሙሉእ ተሓታታይነት ከምዝህሉን ጠቂሱ ነይሩ። ማሕበረ ሰብ ዓለም፣ እዞም መጽባዓታት ንክትግበሩ ብሓባር ክብገስ ኣለዎ። ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ካብ ትግራይ ምውጻእ እቲ ቀዳማይን ኣገዳሲን ስዳሮ እዩ። ስዒቡ ኩሎም ኣብ’ቲ ውግእ ዝሳተፉ ሓይልታት፣ ባዕላዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ክትግብሩን ናብ ሙሉእ ትግራይ ሓገዝ ብዘይገለ ዕንቅፋት ዝባጻሓሉን ኩነታት ንክመቻችውን ተገዳስነት ከርእዩን ኣለዎም። እዞም ሸቶታት’ዚኣቶም መታን ክዕወቱ፣ ዩናይትድ ስቴትስ፣ ምስ ማሕበረ ሰብ ዓለም ሓቢራ ንምንጣፍ ቅርብቲ እያ። ብመሰረት’ዚ፣ ስግር ባሕሪ ሓገዝ ዩናይትድ ስቴትስ (USAID) ህይወት ኣድሕን ቀረባት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዕድል ጉጅለ ምክልኻል ሓደጋ ክተዋፍር እያ። ዓለም ለኸ መሻርኽታት፣ ብሕልፊ ሕብረት ኣፍሪቃን ዞባዊ መጻምድቲን፣ ቅልውላው ትግራይ ንምቁጽጻር ምሳና፣ ምስ ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣካላትን ሓቢሮም ንክሰርሑ ንጽውዕ። ዩናይትድ ስቴትስ፣ ንነባራይ ዝምድና ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሎሚ’ውን ተገዳሲት እያ! ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንተኒ ጀይ ብልንክን 27 ለካቲት\/ 2021","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/atrocities-in-tigray-anthony-j-blenkin-eritrea-troops-amahara-forces-ethiopia\/5795931.html"} {"headline":"ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሓገዝ ንክልል ትግራይ ተማሕጺኑ","content":"ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ትግራይ ንልዕሊ 1.8 ሚልዮን ህዝቢ ሓገዝ ዝውዕል 107 ሚልዮን ዶላር ተማሕጺኑ። ኣብ ኢትዮጵያ ወኪል እቲ ፕሮግራም ስቴቨን ዎሬ ኦማዎ፣ \"ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፣ ንተሓገዝቲ ንክነርክበሎም፣ ገንዘብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኮይኑ ኣሎ\" ኢሎም። ብመሰረት እቲ ሎሚ ዝተዘርገሐ ሪፖርት ንህጻናት፣ ቆልዑት ዘጥቡባ አደታትን ሃናጺ መግቢ ንምዕዳል እቲ ገንዘብ ከምዘድልይ ተሓቢሩ'ሎ። ዳይረክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ጨንፈር ኢትዮጵያ፣ ስቴቨን ዎሬ ኦማዎ፣ ንንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ \"ኣብ ትግራይ 3 ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሓገዝ ዘድልዮ ኮይኑ ኣሎ፣ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ነቲ ህዝቢ ንከሕግዝ ዘኽእሎ ገንዘብ እዩ፣ ህይወት ዘድሕን መግቢ፣ ሃናጺ መግቢን ንጉድኣት ዝተቃልዑ ንምሕጋዝን ከምዝኽእል’ውን\" ገሊጾም ኣለው። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%95%E1%8C%BA%E1%8A%91-\/5794534.html"} {"headline":"ሰልፊ ተወላዶ ኦሮሞ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት’ታ ሃገር ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጽም፣ ብሕልፊ ኣብ ክልል ኦሮምያ፣ ሰባትብጅምላ ይኣስር ኣሎ ዝብሉ ኢትዮጵያዊያን ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ኮሚኒቲ ተወላዶ ኦሮሞ ኣብ ዘዳለዎ ሰልፊ፣ ኣብ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ኣለው ዝተባሃሉ ተወላዶ ኦሮሞ ፖለቲከኛታት፣ ህይወቶም ኣብ ስግኣት ወዲቁ ኣሎ ዝብል ቅሬታ ኣቃሊሖም። መንግስቲ ኣሜሪካ፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝልግሶ ደገፍ ንከቋርጽ’ውን ተማሕጺኖም። ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣቶ ፍጹም ኣረጋ ብወገኖም \"ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ፖለቲካዊ መርገጺኦም ጥራሕ ዝተኣሰሩ ሰባት የለውን፣ ኣብ ምሕሳም መግቢ ዝርከቡ ሕክምናዊ ሓገዝ ይቀርበሎም ኣሎ፣ ዓለምለኸ ትካላት ንኢትዮጵያ ኣብ ዘሕግዝሉ ጊዜ፣ ኢትዮጵያዊያን ኢና ዝብሉ ደገፍ ይቋረጽ ክብሉ ግቡእ ኣይኮነን\"ከምዝበሉ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B6-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9E-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8B%E1%88%BD%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%89%B0%E1%8A%95-%E1%8B%B2%E1%88%B2\/5794480.html"} {"headline":"ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ወትሃደራት ኤርትራ ኣብ ኣክሱም ኣብ ልዕሊ ስቪላት ጭፍጨፋ ፈፂሞምሙ ኢሉ","content":"ወትሃደራት ኤርትራ ‘ብኣማኢት ዝቁጸሩ ሰባት’ መብዛሕተኦም ሰብኡት፣ ዝሓለፈ ሕዳር ኣብ ከተማ ኣኽሱም ከምዝጨፍጨፉ’ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝዘርገሖ ሓድሽ ሪፖርት ገሊጹ። ሪፖርት ኣምነስቲ፣ ምስ’ቲ ኣሶሴትድ ፕረስ ዝሓለፈ ቅነ ዘውጸኦን ንምስክራት ልዕሊ ኣርባዓ ሰባት ዝሃብዎ ቃልን ዝሰማማዕ ኮይኑ ኣሎ። ውግእ ኣብ ትግራይ ካብ ዝጅመር ንነዘ እቲ ዝኸፍአ ጭፍጨፋ ዝበሎ እቲ ሓድሽ ሪፖርት፣ ወትሃደራት፣ ይሃድሙ ንዝነበሩ ሰባት ተኩሶም ከምዝቀተሉ፣ ንሰብኡት እናጋደሙ ከምዝረሸኑ፣ ህዝቢ’ታ ከተማ ንዝተቀትሉ ሰባት ክንቀብር እንተበሉ ኣይትኽእሉን ከምዝበሉዎም ይሕብር። ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ብዛዕባ ጭፍጨፋ ኣብ ኣኽሱም ‘ዝምልከቶም ኣካላትን ትካላትን ከጻርዩን ገበን እንተተፈጺሙ ከረጋግጹን እዮም’ ክብሉ ከለው ኤርትራ ብወገና ነቲ ሪፖርት ‘ናይ ሓሶት ሪፖርት’ ኢላ ገሊጻቶ ኣላ። ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/amnesty-report-describes-axum-massacre-in-ethiopia-tigray\/5794458.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ምኽትል ኣማሓዳሪ ሰሜናዊ ምዕራብ ዞባ ትግራይ ኣቶ ሙሉብርሃን ሃይለ","content":"ብዝተፈላለዩ ወገናት ካብ ክልል ትግራይ ናብ ኤርትራ ከምዝሰግር ተገይሩ ዝነበረ ንብረት ምስ ዝምልከቶም ብምዝርራብ ከም ዝምለስ ንገብር ኣለና ክብል ምኽትል ኣማሓዳሪ ሰሜናዊ ምዕራብ ዞባ ትግራይ ኣቶ ሙሉብርሃን ሃይለ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ። ኣብ ከባቢና ዝተፈጸሙ ዘረፋታት መብዛሕቲኦም ብገበነኛታት`ቲ ከባቢ ዝተፈጸሙ`ዮም ዝበለ ኣቶ ሙሉብርሃን፡ ኣብ ከባብና ጸጥታ ኣብ ምርግጋእ ተዋፊሮም ኣለዉ ዝበሎም ኤርትራዋን ዛጊት ብርክት ዝበላ ናይ ውልቀሳባት መካይንን ልዕሊ 15 ሚልየን ዝግመት ብርን ካብ ኤርትራ ከምዝምለስ ከምዝገበሩ ገሊጹ። ዝተርፈ `ውን እንተሎ ክመልሱልና ቃል ኣትዮም ኣለዉ ዝብለ ንሱ ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ሓገዝን`ምበር ኩናትን ፕሮፓጋንዳን ኣየድልዮን`ዩ ክብል`ውን መኺሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%89%B5%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9B%E1%88%93%E1%8B%B3%E1%88%AA-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%88%99%E1%88%89%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%83%E1%8A%95-%E1%88%83%E1%8B%AD%E1%88%88-\/5794342.html"} {"headline":"ኣብ ደቡብ ሱዳን ዓቀብቲ ሰላም ሕቡራት መንግስታት ዝኾኑ ተወለድቲ ትግራይ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዕቑባ ሓቲቶም","content":"ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣባላት ዓቀበቲ ሰላም ናይ ሕቡራት መንግስታት ዝነበሩ ተወለድቲ ትግራይ ኢትዮጵያዊያን ወታደራት ቀዲሞም ዝተመለሱ ተጋሩ ኣባላት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስለዝርከቡ ንደሕንነትና ስለእንሰግእ ናብ ኢትዮጵያ ኣይንምለስን ክብሉ ንቪኦኤ ገሊፆም።እዞም ኣባላት ናይቲ ሰራዊት ኣብ ውሽጢ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ጁባ ናብ ኢትዮጵያ ኣይንምለስን ምስ በልና ካብ ካልኦት ወታደራት መውቃዕትን ምንክልባትን ተፈፂሙና ኢሎም ኣለው። ናይ ኢትዮጵያ ሓልታት ምክልኻል 15 ትግርኛ ተዛረብቲ ኣባላት ሰራዊት ‘’ናይቲ ጁንታ ተለኣኣኽቲ’’ ዝበሎም ናብ ሃገሮም ኣይንምለስን ብምባሎም ኣብ ጁባ መዕረፎ ነፈርቲ ህውከት ንምፍጣር ፈቲኖም ኢሉ። ዕቑባ ብምሕታት ኣብ ሓለዋ UNHCR ከምዝርከቡ UNHCR ኣረጋጊፁ ኣሎ። ናብ መዕረፎ ነፈርቲ ምስኣተው ናብ ሃገሮም ኣይንምለስን ካብ መንጎ ዝበሉ ሓደ ሓለቓ ሓምሳ ለኣከ ወልዳይ ኣብ ውሽጢ መዕረፎ ነፈርቲ ብሓይሊ ናብ ኢትዮጵያ ክወስዱና ወታደራት ኢትዮጵያ ወቒዖምና ይብል። ቀደም ተጋዳሊት ህወሓት ዝነበረትን ብጥሮታ ምስተሰናበተት ምስቶም ኣኽበርቲ ሰላም ምግቢ ብምድላው ትሰርሕ ከምዝነበረትን ዝገለፀት ብረይ ታደሰ ናብ ኤርፖርት ምስ ኣተው ብሃንደበት ወታደራት ኢትዮጵያ ቐጥቂጦም ሞባይል ስልካ ሓዊሱ ሻንጥኣን ኩሉ ንብረታን ከምዝወሰዱዎ ገሊፃ። ሻምበል ሕሉፍ ዝተብሃለ ወታደራዊ መኮነን ብወገኑ እቲ ኩነታት ኣቐዲመ ስለዝተረዳእኹዎ ኣቐዲመ ወፂአ ሕዚ ምስ UNHCR ኣብ መዕቖቢ ኣለኹ ኢሉ። ቅድሜና ናብ ኢትዮጵያ ዝተመለሱ ተወለድቲ ትግራይ ኣባላት ሰራዊት ኣበይ ከምዘለው ኣይንፈልጥን ኣሲሮምዎም እዮም ዘለው ይብል። ኣብቲ ሕዚ ዝርከብሉ ቦታ ንደሕንነቶም ከምዝሰግኡ እውን ወሲኾም ገሊፆም። እዚ ኩሉ ዕግርግርን መውቃዕትን ዝተፈፀመሉ ኣብ ዋና ከተማ ጁባ ናይ ዝርከብ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ሓላፊ ሓለዋ ድሕነት ኣቪየሽን ጄቶ ሚሎ ኢትዮጵያዊያን ናብ ደቡብ ሱዳን ክመፁ ከለው ንስራሕቲ ሓለዋ ሰላም ሕቡራት መንግታት እዮም መፂኦም ይብል።ደቂ ሓንቲ ሃገር እዮም፤መንግስቶም ናብ ሃገሮም ክመልሶም ደልዩ ተወለድቲ ትግራይ ግን ክምለሱ ኣይደለዩን ይብል። ‘’ናብ መዕረፎ ነፈርቲ መፂኦም።ነንሓድ ሕዶም ክዋቕዑ ጀሚሮም።ናይ መንግስቲ ዝኾኑ ሰባት ንቶም ተጋሩ ኣጥቒዖምዎም።እዚ ምስ ኮነ 15 ሰባት ሓለዋ ክግበረሎም ንናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት UNHCR ኢዶም ሂቦም’’ ኢሉ። ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ኢትዮጵያዊያን ኣኽበርቲ ሰላም ኣብ ዝተፈላለያ ክፍለ ግዝኣታት ደቡብ ሱዳን ከምዝርከቡ ብምግላፅ 700 ዝኾኑ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣይደለዩን ይብሉ።15 ወይ 17 ጥራሕዶ ኣይኮኑን እዮም ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሎም ‘’ኣይኮነን።ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ ኣይንኸይድን ኢሎም ዝተመለሱ 15 እዮም።ክምለሱ ዘይደልዩ ጠቕላላ በዝሖም ግን 700 ምእቲ እዮም’’ ክብሉ መሊሶም። ናይ ኢትዮጵያ ሓልታት ምክልኻል ብዛዕባ እዞም ኣብ ደቡብ ሱዳን ተሪፎም ዘለው ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም መግለፂ ሂቡ ኣሎ። ‘’ኣብ ጁባ ተመዲቦም ካብ ዝነበሩ ፃኒሕቶም ወዲኦም ካሊእ ናይ ሰላም ሓይሊ ኣብ ምቕያር ካብ መንጎ ዝነበሩ 15 ተግርኛ ተዛረብቲ ኣባላት ሰራዊት ናይቲ ጁንታ ተለኣኣኽቲ ናብ ሃገሮም ኣይንምለስን ብምባሎም ኣብ ጁባ መዕረፎ ነፈርቲ ህውከት ብምፍጣር ፈቲኖም’’ ኢሎም ናይ ሓልታት ምክልኻል ዋና ዳይረክተር ኢንዶክትሪነሽን ሜጀር ጀነራል መሓመድ ተሰማ ኣብ ፌስቡክ ገፅ ሓልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ዝወፀ ዜና። እዞም ናይቲ ጁንታ ‘’ዕሱባት’’ ኢሉ ዝፀውዖም ፅቡቕ ሽም ሰራዊትን ሃገርን ንምፅላም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዝሰርሑ ተግርኛ ተዛረብቲ ኣብ UNHCR ናይ ሚዲያ ሽፋን ክረኽቡ ብምምችቻው እቲ ጉዳይ ማሕበረሰብ ዓለም ክሰምዖ ከምዝተፈተነን በዚ እውን UNHCR ንማሕበረሰብ ዓለም ዘቃልሖ ሪፖርት ምዃኑ ብምግላፅ ይቕሬታ ክሓትት ከምዝግባእ ሜጀር ጀነራል መሓመድ ተሰማ ገሊፆም። ደቡብ ሱዳን ዝርከብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት ብፅሑፍ ኣብዝሃቦ መልሲ ’'ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝነበሮም ንእሽተይ ቁፅሪ ዘለዎም ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝርከቡ ናይ ኢትዮጵያ ሰላም ኣኽበርቲ ወታደራት ኣብ ደቡብ ሱዳን ዕቑባ ምሕታቶም UNHCR ይፈልጥ’’ ኢሉ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቱኡ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/un-peacekeeping-in-south-sudan-refused-to-go-back-to-their-country-ethiopia\/5792735.html"} {"headline":"ልኡኽ ኤርትራን ናብ ሱዳን ምብጽሑ ተገሊጹ","content":"ብሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዖስማን ሳልሕ ዝምራሕ ልኡኽ ትማሊ ኣብ ካርቱም ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ጀነራል ኣል-ቡርሓን ተራኺቡ- ብዛዕባ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሎ ርክብ ዝምልከት መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከምዘረከበ፡ ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ። እቲ ልኡኽ ናብ ቀዳማይ ሚኒስትር ዓብደላ ሓምዶክ`ውን መልእኽቲ ከምዘብጽሐን፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብቲ መልእኽቱ፡ ኣብ መንጎ ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎ ፍልልይ ንምፍታሕ ብትዕግስትን ሕውነታዊ መንፈስን ክርኣይ ከምዘለዎ ምግላጹ ኣቶ የማነ ኣብቲ ናይ ትዊተር መልእኽቱ ጠቒሱ`ሎ። ፕረዚደንት ኣል ቡርሓንን ቀዳማይ ሚኒስትር ሓምዶክን ብወገኖም፡ ኤርትራ ንእትወስዶ ዘላ ቀጻሊ ተበግሶታት ብምንኣድ፡ ሱዳን ነቲ ግዚያዊ ጸገማት ብሰላም ንክትፈትሖን ምስ ኢትዮጵያ ጽኑዕ ምሕዝነት ንምምዕባል ዘለዋ ድልየትን ከምኡ`ውን ንዞባዊ ምትሕብባር ከምእትሰርሕ ነቶም ልኡኻት ኤርትራ ከምዘረጋገጽሎም ሚንስተር ዜና ኤርትራ ሓቢሩ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%88%91-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5792667.html"} {"headline":"ጉዳይ ብሓይሊ ምምላስ ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበሩ ኤርትራዊያን ብህጹጽ ክጻረ ሓደ ክኢላ ሕ\/ሃ ጸዊዑ","content":"ሓደ ክኢላ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት- ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓይልታት ኤርትራ ብሓይሊ ተመሊሶም ዝብል ክሲ ብህጹጽ ክጻረ ጸዊዑ። እቲ ሪፖርቱ ናብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ተረኪቡ`ሎ :: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A9-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%85%E1%8C%B9%E1%8C%BD-%E1%8A%AD%E1%8C%BB%E1%88%A8-%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%8A%AD%E1%8A%A2%E1%88%8B-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%91-\/5792706.html"} {"headline":"ኣባል ፈንቅል ምንቅስቓስ መንእሰያት ትግራይ ዝነበረ ኣቶ የማነ ንጉስ ምቕታሉ ተገሊጹ","content":"ኣባል ፈንቅል ምንቅስቓስ መንእሰያት ትግራይ ዝነበረ ኣቶ የማነ ንጉስ ኣብዚ ዝሓለፈ መወዳእታ ሰሙን ተቐቲሉ ስነ ስርዓት ቀብሩ እውን ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ትውልዲ ዓዱ ተፈፂሙ ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ቅትለት ኣቶ የማነ ንጉስ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተውሃበ መግለፂ የለን።ነዚ ቅትለት ፈፂመዮ ዝበለ ኣካል እውን ዛጊድ የለን። ብዛዕባ ኣማውትኡን ካልኦት ሕቶታትን ብዓል ስልጣን እቲ ዝተቐትልሉ ከባቢን ንኣቶ መለስ ሰለሞን ፡ ንብፃዩን ኣባል ኣመራርሓ ፈንቅል ዝኾነ ኣቶ ሙሉጌታ ወረደን ኣዘራሪብና አለና ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%8D%88%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%B5%E1%89%93%E1%88%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%8B%A8%E1%88%9B%E1%8A%90-%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%B5-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%B3%E1%88%89-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5791573.html"} {"headline":"ኣብ ትግራይን መተከልን ንዝርከቡ ዜጋታት ድጋፍ ንምትእኽኻብ ጻውዒት ቐሪቡ","content":"ናይ ብሄርን ፖለቲካውን ናይ ኣመለኻኽታ ኣፈላላያት ንሰብኣዊ ምንቅስቓስ ተፅዕኖ ክፈጥር ከምዘይግባእ ኣብ ትግራይን መተከልን ንዝርከቡ ዜጋታት ድጋፍ ኣብ ምትእኽኻብ ዝርከብ ኣርቲስትን ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላትን ታማኝ በየነ ፃዊዒት ኣቕሪቡ። ብታማኝ ዝምራሕ ዓለምለኸ ምትሕብባር ንመሰል ኢትዮጵያዊያን ፈላማይ ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብ ምንቅስቃስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቀፂሉ ኣሎ። ታማኝ በየነ ዕላማ ናይቲ ምንቅስቓስ መንፈስ ኣፈላላያት ንምስባር እዩ ኢሉ ። ነቲ ምንቅስቓስ ደገፎም ዝገለፁ ኣርቲስት እውን ሰብኣዊ ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ተኸፋፊልና ኣይንክእሎን ኢሎም ኣለው ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%89%B0%E1%8A%A8%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%B5%E1%8C%8B%E1%8D%8D-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%8A%BB%E1%89%A5-%E1%8C%BB%E1%8B%8D%E1%8B%92%E1%89%B5-%E1%89%90%E1%88%AA%E1%89%A1\/5791366.html"} {"headline":"ኣብ ወፍሪ ምርጫ ዝተአሰሩ 11 አባላት ኢዜማ ምፍትሖም ተሓቢሩ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ዞባ ኮንሶ 11 ኣባላት ፓርቲ ናይ ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ \\ኢዜማ\\ ናይ ምርጫ ወፍሪ የካይዱ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ብሓይልታት ፀጥታ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታዎም: ክትሓዙ ከለው እውን ተቐጥቂጦም ጉድኣት ከምዝወረዶምን ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኢዜማ ኣቶ ናትናኤል ፈለቀ ገሊፆም። ኢዜማ ንድምጺኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃል ንኽልተ መዓልታት ምስተኣሰሩ ተፈቲሖም ኣለው ኢሉ ኣሎ። ሓላፊ ሰላምን ፀጥታን ዞባ ኮንሶ ኣቶ ሃሰን ዎላሎ ኣብቲ ዞባ ብሰንኪ ናይ ምርጫ ወፍሪ ዝተኣሰረ ሰብ የለን ክብሉ ብምግላፅ ኣብ ኣደባባይ ‘'መንግስቲ ፍሪሱ እዩ’’ ኢሎም ዝኣወጁን ዘይሕጋዊ ተግባር ክፍፅሙ ዝተትሓዙን ወልቀሰባት ግን ኣለው ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%8D%8D%E1%88%AA-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%A0%E1%88%B0%E1%88%A9-11-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%8B%9C%E1%88%9B-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%96%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5791281.html"} {"headline":"ብሰንኪ ኣብ ቤንሻንጉል ጉምዝ ዘጋጠመ ግጭት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ሱዳን ምስዳዶም ተሓቢሩ","content":"ብሰንኪ ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣብ’ዚ ቀረባ ሰሙናት ዝተወለዐ ግጭት ማሕበረሰባት፣ ብዓሰርተታት አሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ሱዳን ንክስደዱ ከምዘገደደ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ስእነት ሰላም ኣብ ዞባ መተከል ክልል ቤንሻንጉል፣ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ተራእዩ ኣሎ። እንተኾነ፣ ውጥረት ምሒር ዝናሃረ፣ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ ኮይኑ ኣሎ። ሪፖርት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ፣ ኣስታት 500 ሰባት ኣብ መተከል ተቀቲሎም። 23 ታሕሳስ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝተቀትሉ ይሕበር። ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ባባር በሎች እቲ ይንህር ዘሎ ህውከት፣ ዝሓለፈ ወርሒ ኣሻሓት ሰባት ናብ ሱዳን ንክሰግሩ ከምዘገደዶም ጠቂሱ፣\"ስደተኛታት ካብ ሕዳር ጀሚሩ እዮም ናብ ሱዳን ብኣማኢት ምእታው ጀሚሮም። ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ቁሩብ ሰሙናት ግና፣ በዝሒ ስደተኛታት ወሲኹ ሎሚ ክሳብ 7 ሽሕ ዝግመቱ ስደተኛታት ኣለው። ስደተኛታት ሒዞሞ ዝመጹ ሪፖርት ‘ካብ ጸላእቲና ኢና ሃዲምና’ ዝብል እዩ\"ይብሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰንኪ’ቲ ኣብ መተከል ዝተወለዐ ህውከት ኣብ ዞባ መተከል ህጹጽ ጊዜ ኣዋጅ ኣብ 21 ጥሪ ተግቢሩ እዩ። ባሎች ኣብ መግለጺኡ መብዛሕትኦም እቶም ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ዝሰገሩ ስደተኛታት፣ ንምብጻሕ ኣጸጋሚ ኣብ ዝኾነ ከባቢ ሰፊሮም ከምዝርከቡ’ውን ሓቢሩ። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ምስ ሰበ ስልጣን ሱዳንንመሻርክቲ ኣካላትን ተሓባቢሩ ነቲ ኩነታት ይግምግም፣ ነቶም ካብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዝተሰደዱ ሰባት፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝረኽብሉ መንገዲ የናዲ ከምዘሎን ሓቢሩ። \"እቲ ስፍራ ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ እዩ ዝርከብ። ከምዝርደአኒ፣ እዚ ጸገም’ዚ፣ ምስ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረን ልዕሊ 61 ሽሕ ሰባት ናብ ሱዳን ንክስደዱ ዝገበረን ግጭት ዝተኣሳሰር ኣይኮነን።\" ባሎች ኣብ ዘረብኡ፣ ካብ’ቶም ሓተቲ ዕቁባ መብዛሕተኦም ምስ ዘዕቆብዎም ሱዳናዊያን ሓቢሮም ይነብሩ ከምዘለው’ውን ሓቢሩ ኣሎ። ዛጊድ፣ ኣስታት 3 ሽሕ ስደተኛታት ተመዝጊቦም ኣለው። አስታት ሓደ ሽሕ ሰባት ድማ ዕለታዊ መግቢ፣ ማይን ቀረባት መጸራረዪን ኣገልግሎት ጥዕናን ረድኤትን’ውን ከምዝረኽቡ እቲ ዜና ሓቢሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%A4%E1%8A%95%E1%88%BB%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%8D-%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%8B%9D-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%88%BD%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%91%E1%8C%B8%E1%88%A9-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8B%B3%E1%8B%B6%E1%88%9D-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5789956.html"} {"headline":"ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ሓዊሱ 9 ሰባት ኣብ ትግራይ ተቐቲሎም","content":"ስነ ስርዓት ምረቕኦም ኣብ ዩኒቨርቲ መቐለ ፈፂሞም ይጉዓዙ ዝነበሩ ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ወረዳ ወጀራት ዓዲ መስኖ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ 11 ለካቲትት 2013 ዓ\\ም ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ዝተመረቑ ተምሃሮ ሓዊሱ ትሽዓተ ሰባት ከምዝትቐተሉ ካብቲ መጥቓዕቲ ዘምለጠ ንቪኦኤ ገሊፁ። 6 ለካቲት 2013 ዓ\\ም ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ዝተመረቑ ተምሃሮ ናብ ቤተሰቦም ይጉዓዙ ኣብ ዝነበርሉ እዋን መጥቓዕቲ ከምዝተፈፀሞም ካብቲ መጥቓዕቲ ዝተረፈ ተምሃራይ ናይ ዓይኒ ምስክር ንቪኦኤ ይገልፅ። 11 ለካቲት 2013 ዓ\\ም 44 ተምሃሮ ምስ ክልተ ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ጉዕዞ ከምዝጀመሩ ይሕብር። ንሒዋነ ምስ ሓለፉ ናብ ማይጨውን ኣላማጣን መፈላለዪ መንገዲ ኣብ ጥውይዋይ፣ጎቦን ፀድፍን ዘለዎ ቦታ ዓዲ መስኖ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ መንገዲ ብእምኒ ተዓፂዩኣብ ጎኒ እቲ ዘዋሪ መኪና ስለዝነበሩ ክልተ ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ወሪዶም ቶኽሲ ከምዝተጀመረ እቲ ናይ ዓይኒ ምስክር ሓቢሩ። ካብዚ መፂኦም ዘይብሃሉ ሚሊሽያታት ካብቲ ጎቦ ነታ መኪና ብጥይት ምውቃዕ ከምዝጀመሩ ወሲኹ ይሕብር። ‘’ንሕና ኣብ ውሽጢ መኪና ኮይንና ነእዊ ነይርና።ንሕና ተምሃሮ ኢና እናበልና ድምፅና ኣስሚዕና።ካብቲ ጎቦ ወሪዶም ምትኳስ ምስ ጀመሩ እቲ ዘዋሪ ኣውቶቡስ ቆሲሉ ነይሩ ከም ገለ ኢሉ ካብ ጥይት ንምኽዋል ነታ መኪና ናብቲ ጎቦ ግልብጥ ኣቢሉዋ።ተገልቢጣ እናሃለወት እውን ምትኳሶም ምስ ቀፀሉ ተምሃሮ ኢና ምስ በልና ነቲ ቶኽሲ ጠጠው ኣቢሎም ውረዱ ኢሎምና’’ ይብል። እቲ ናይ ዓይኒ ምስክር ብምውሳኽ ተምሃሮ ሓዊሱ ኣብታ ኣውቶቡስ ዝነበሩ ትሽዓተ ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ ይብል። ኩሉ ኣቑሕቶም ኣብ ውሽጢ እንከሎ ነታ መኪና ኣቃፂሎምዋ ኢሎም። ’’ነቲ ሬሳ የውጽእዎ ኣየውፅእዎ ንፈልጦ ነገር የለን’’ ዝበሉ ንሱ እቲ ዝተረፈ ተምሃራይ ኢዱ ንላዕሊ ገይሩ ወፂና ዓጂቦም ናብቲ ጎቦ ወሲዶም፤ናእቶም ምልሻታት ክሓቱና ጀሚሮም፤ንሕና ኣይፈለጥናን ኢሎምና ኢሉ። ድሕሪ ናይ ስዓታት ሕቶ ከምዝሰደዱዎምን ብዝተረኸበ መጎዓዚያ እናቆራረፁ ቆቦ ከምዝኣትውን እቲ ናይ ዓይኒ ምስክር ገሊፁ ኣሎ። ኣካያዲ ስራሕ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ቆቦ ካሳሁን ኣዲሱ ጉድኣት ዝወረዶም ተምሃሮ ኣብቲ ሆስፒታል ከምዝተሓከሙ ገሊፆም ኣለው። እቶም ዝቖሰሉ 12 ተምሃሮ ምዃኖምን ካብኣቶም ክብድ ዝበለ ጉድኣት ዝወረዶም ሰለስተ እዮም ኢሎም።እቶም ዝተረፉ መጠነኛ ጉድኣት ዝወረዶም ኩሎም ብጥይት ከምዝተወቕዑን ኩሎም ድማ ተምሃሮ35 ምዃኖም ሓቢሮም። ንኹሎም ናይ ሕክምና ሓገዝ ከምዝተውሃቦም ወሲኾም ገሊፆም። ዩኒቨርስቲ ወልዲያ ንቶም ዝሰንበዱ ተምሃሮ ካብ ምርግ ጋእ ሓዊሱ ጉድኣት ዝወረዶም ብምሕብሓብን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ምስናይን ተሳትፎ ከምዝገበሩ ፕሬዝዳንት ናይቲ ዩኒቨርስቲ ዶክተር ኣበበ ግርማው ገሊፆም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/university-students-killed-in-tigray-ethiopia\/5789862.html"} {"headline":"ርእይቶ ነበርቲ መቐለ ኣብ ምቑራጽ ሓይሊ ኤሌትሪክ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ኤለክትሪክን መብራህትን ካብ ዘቋርጽ ሓደ ሰሙን ኮይንዎ ኣሎ። ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ መቐለ ከምዝገለጽዎ ምቁራጽ መብራህትን ኤለክትሪክን፣ አብ ልዕሊ ናብረኦምን ስርሖምን ጽልዋ ከምዘሕደረ ሓቢሮም። ኣብ'ዚ ጉዳይ'ዚ፣ ካብ በዓል ስልጣን ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢትዮጵያ ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ኣይሰለጠን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%89%91%E1%88%AB%E1%8C%BD-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%8A%A4%E1%88%8C%E1%89%B5%E1%88%AA%E1%8A%AD\/5788450.html"} {"headline":"ጉባኤ ሃይማኖታት ክልል ትግራይ ተዋጋእቲ ሓይልታት ውግእ ደው ከብሉን ፍልልያቶም ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሑን ጸዊዖም","content":"ጉባኤ ሃይማኖታት ክልል ትግራይ \"ውግእ ኣብ ትግራይ ደው ክብልን ተዋጋእቲ ሓይልታት፣ ኣፈላላዮም ብሰላማዊ ኣገባብ ክፈትሑ ይግባእ\" ዝብል መጸዋዕታ ኣቅሪቡ። እቲ ጉባኤ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ \"እቲ ውግእ ሎሚ’ውን ህይወት ብዙሓት ሰባት ይበልዕ ኣሎ፣ ትካላት ይዓንው ስለዘለውን፣ ማሕበረ ሰብ ዓለም ጽዕንቶ ንከዕርፍ’’ ጸዊዑ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%89%E1%89%A3%E1%8A%A4-%E1%88%83%E1%8B%AD%E1%88%9B%E1%8A%96%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%8B%8B%E1%8C%8B%E1%8A%A5%E1%89%B2-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%8D%E1%8C%8D%E1%8A%A5-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%8A%A8%E1%89%A5%E1%88%89%E1%8A%95-%E1%8D%8D%E1%88%8D%E1%88%8D%E1%8B%AB%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%8A%AD%E1%8D%88%E1%89%B5%E1%88%91%E1%8A%95-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%96%E1%88%9D\/5788447.html"} {"headline":"ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ዓሪፉ","content":"ፍሉጥ መራሒ ተቓወምቲ ኤርትራ ዝነበረ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ኣብ መበል 75 ዕድሚኡ ዝሓለፈ ዓርቢ ምሸት ኣብ ኒው ዮርክ ዓሪፉ። ካብ 1972 ጀሚሩ ኣብ ገድሊ ናጽነት ኤርትራ ክሳብ ኣዛዚ ሰራዊትን ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሓላፍነትን ዘገልገለ ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ድሕሪ ናጻነት ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንድናቭያን ድሓር ድማ ኣብ ናይጀርያ ኣምባሳደር ኤርትራ ኮይኑ ሰሪሑ`ዩ። መሳርሕቱ ኣብ 2001 ካብቶም ብ ጉጅለ-15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ፓርትን ዝርከብዎም ንምምሕዳር ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተቓወሙን ሕገ-መንግስቲ`ታ ሃገር ኣብ ስራሕ ክውዕል ዝጸውዑን ሓደ`ዩ ኔሩ ይብሉ ። ድሕሪኡ ክሳብ ዕለተ-ሞቱ ኣብ ወጻኢ ኮይኑ ነቲ ሽዕኡ ዘልዓልዎ ሕቶ ደሞክራሲ ክቕጽሎ ምጽንሑ ብጾቱ ይገልጹ። ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑትን `ዩ። ስነ-ስርዓት ቀብሩ ዝመጽእ ቀዳም 27 ለካቲት 2021 ኣብ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ ከምዝፍጸም ክፍለጥ ተኻኢሉ`ሎ። .","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B3%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%8B%B5%E1%88%93%E1%8A%96%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%9B%E1%88%AD%E1%8B%AB%E1%88%9D-%E1%8B%93%E1%88%AA%E1%8D%89\/5788222.html"} {"headline":"'ኣብ ትግራይ ንወልቀሰባት ንምሓዝ ዝካየድ ዳህሳስ እምበር ኵናት ይኹን ውግእ የለን' ሓደ ላዕለዋይ መኮነን ሰራዊት ኢትዮጵያ","content":"ኣብ ትግራይ ዝተሓብኡ ውልቀሰባት ንምሓዝ ካብ ዝግበር ዳህሳስ ወፃኢ ኵናት የለን ክብሉ ናይ ምክልኻል ኢንዶክትርነሽን ዋና ዳይረክተር ሜጀር ጀነራል መሓመድ ተሰማ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም። ኣብ ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ዋና ዳይረክተር ኢንዶክትርነሽን ሜጀር ጀነራል መሓመድ ተሰማ መንግስቲ ሕጊ ናይ ምኽባርን ናይ ህልውናን ወፍሪ እዩ ኣካይዱ ምስ በሉ እቲ ወፍሪ ነቲ ከሓዲ ኢሎም ዝፀውዕዎ ሓይሊ ጥራሕ ማእኸል ገይሩ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ እዩ ተሰሪሑ ኢሎም። ‘’ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ማሕበረሰባት፣ትካላት ልምዓትን መሰረተ ልምዓትን ብዘይትንክፍ ብጥንቃቐ ክካየድ ተገይሩ እቲ ዝፍክር ዝነበረ ሓይሊ ህዝቢ ይጥቀመሉ ንዝነበሩ ትካላት ኣዕኒዩ፣ዘሪፉ ናብ ጫካ ተበታቲኑ ኣትዩ’’ ኢሎም። ‘’መቐለ ምስተኣተወ ኵናት ዝብሃል ነገር የለን።ውግእ ዝብሃል ነገር የለን’’ ኢሎም። ኣብ ዝካየድ ናይ ምህዳን ስራሕ ዝርኣዩ ኣናእሽቱ ግጭታት እዩ ዘሎ ኢሎም። ህወሓት ካብ መቐለ ክወፅእ ከሎ ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ዝኾኑ እሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ ብምፍታሕ እቲ ህዝቢ በዚኦም ክዝረፍ፣ስብእንኡ ክጉዳእን ግፍዒ ክፍፀም ዝገበረን ንሱ እዩ ኢሎም እቶም ጀነራል። ‘’ቅድሚ እቲ ኵናትን ድሕሪ እቲ ኵናትን ናብ ትግራይ ብተደጋጋሚ ከይደ ሪአዮ እየ’’ ዝብሉ ጀነራል መሓመድ ህወሓት ንቶም ናይ ናውቲ መሰረተ ልምዓታት ስለዘዕነው ኣግልግሎታት ምቁራፅ ኣጋጢሞም ኢሎም። ‘’ኣብያተ ፅሕፈት ወሪሮም፣ናይ ጥዕና ትካላትን ሆስፒታላን መድሓኒት ወሪሮም ናብ ጫካ ወሲዶምዎ እዮም’’ ይብሉ።እቲ ህዝቢ እውን ረድኤት ከይረክብ ብዝነበሮም ኣወዳድባ ምጥርጣራት ክፍጠሩ ከምዝገበረን ኩሎም ተደማሚሮም ናይ ረድኤት ስራሕቲ ከምቲ ዝግባእ ከምይኸውን ኮይኑ እዩ ምስ በሉ ናይቲ ክልል ግዚያዊ ኣመሓደርቲ እውን ዝተሰርሐ ነገር ብዘይምግላፆም ነገበራ የተሓላልኹ ኣለው ክብሉ ወቒሶም። ዝተሰርሐ ስራሕ ንምግላፅ ፍቓደኛ ዘይኮኑ ብግዚያዊ እቲ ሕብረተሰብ ከመሓድሩኒ ኢሉ ዝመረፆም ሰባት ኣለው።ተዘሪፉ ተዓፂዩ ዝነበረ ጥዕና ጣቢያ እናሰርሐን እናሓከመን ከሎ ጋዜጠኛታት ከይዶም ክሓቱዎም ከለው ነዚ ንምግላፅ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን።ዝተውሃቦም፣ ዝተሓገዙዎ ረድኤታት ይርኽቡ ከምዘለው ኣብኡ ከይደ ብጭቡጥ ኣረጋጊፀ እየ። ካብ ማእኸል ሃገር ዝሰርሑ ሚዲያታት እንተምፃእና እውን ኣይተሓባበሩዎም ዘለው ኢሎም። እቶም ጀነራል ባዕሉ ዘሪፉ ነቲ ሕብረተሰብ እውን ምዝራፍ ኣምሂሩዎ እዩ ኢሎም።ዝተፈላየዩ መግሃስታት ብምፍፃም ብዛዕባ ዝኽሰስ ሰራዊት ኤርትራ ዝሓተቱ ጀነራል መሓመድ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሓቂ ተመስሪቱ እንተድኣ ኣቕሪቡ ብኣግባቡ መልሲ ክወሃበሉ እዩኢሎም። ‘’ንሕና ከም ትካል እንፈልጦ እቲ ጁንታ መጥቓዕቲ ዝፈፀመ ኣብ ልዕሌና እዩ፤ናይቲ ጁንታ ዓንዲ ሒቐ ዝሰበርናዮ እውን ንሕና ኢና።ሕዚ እውን ኣብ ዝኣተዎ ኣትዩ ሃዲኑ ንውልቀሰባት ናብ ሕጊ ዘቕርብ ዘሎ ሰራዊት ምክልኻል ኢፌድሪ እዩ’’ ኢሎም። ስለዚ ዝተለመደ እዩ ዝበሉዎም ሓሶት እዩ፤ ‘ፅንፈኛ’ኢሎም ዝፀውዕዎ ጉጅለ ብዘውረዶ ጉድኣት እንተዝኸውን ነይሩ ትግራይ ሎሚ ዘለዋ ቁመና ክህልዋ ኣይምኽኣለን ነይሩ ኢሎም ሜጀር ጀነራል መሓመድ ተሰማ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/tplf-reminants-are-on-the-run-said-senior-ethiopian-military-officer\/5788211.html"} {"headline":"ኣምባሳደር ኢጣልያ ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎ ተቐቲሉ","content":"ኣምባሳደር ኢጣልያ ኣብ ደሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ጉዕዞ ኸሎ ብድብያ ተቐቲሉ። ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ኣምባሳደር ሉካ ኣታናስዮ ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ ሎሚ ሰኑይ ምስ ቃፍላይ ሕቡራት ሃገራት እናተጎዓዘ ከሎ ብናይ ድብያ ተኹሲ ምቕታሉ ኣፍሊጡ'ሎ። ንዕኡ ዝዕጅብ ዝነበረ ኢጣልያዊ ፖሊስ`ውን በቲ መጥቃዕቲ ከምዝተቐተለ ተሓቢሩ`ሎ። እቲ መጥቃዕቲ ኣካል ናይ ጭውያ ከምዝኾነ`ውን ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B3%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%8C%A3%E1%88%8D%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%B2%E1%88%9E%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%89%B2%E1%8A%AD-%E1%88%AA%E1%8D%96%E1%89%A5%E1%88%8A%E1%8A%AD-%E1%8A%AE%E1%8A%95%E1%8C%8E-%E1%89%B0%E1%89%90%E1%89%B2%E1%88%89\/5788169.html"} {"headline":"ዘተ: ኣብ ጉዳይ ናይ ፈጠረ ወረን ብዘይፍላጥ ዝዝርጋሕ ግጉይ ሓበሬታን","content":"ኣብ ጉዳይ ኮነ ኢልካ ዝግበር ናይ ፈጠራ ወረን ብዘይፍላጥ ዝዝርጋሕ ግጉይ ሓበረታን ኣብ ህዝቢ ዘውርዶ ኩሉ መዳያዊ ሳዕቤንን: ሓቅን ሓሶትን ዜና ንምፍላይ'ከ እንታይ ክግበር ኣለዎ? ንህዝቢ ቅኑዕ ሓበረታ ኣብ ምሃብ ክውሰዱ ዝግብኦም ምድላዋት'ከ እንታይ'ዮም ኣብ ዝብሉ መዘራረቢ ነጥቢንክልተ ኣብ ሞያ ምስትምሃር ጋዜጠኝነት ልዑል ተመክሮ ዘለዎም ኣጋይሽ ዓዲምና'ለና። ዶ\/ር ሄርሞን ዑቕባሚካኤል ካብ ኬፕታውን ደቡብ ኣፍሪቃ:ኣቶ ሃብቶም ዮውሃንስ ካብ ነዘርላንድስ'ዮም:: ምሉእ ትሕዝቶ ዘተ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8D%88%E1%8C%A0%E1%88%A8-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8D%8D%E1%88%8B%E1%8C%A5-%E1%8B%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8C%8B%E1%88%95-%E1%8C%8D%E1%8C%89%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%89%A0%E1%88%AC%E1%89%B3%E1%8A%95\/5787950.html"} {"headline":"ምቁራጽ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ትህቦ ሓገዝ ምስ ምስሕሓብ ግድብ ህዳሴ ዝተሓሓዘ ከምዘይኮነ ኣፍሊጣ","content":"ምቁራፅ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ትህቦ ዝነበረት ብሚልዮናት ዶላር ዝቑጸርን ናይ ገንዘብ ሓገዝ እታ ሃገር ኣብ ግዙፍ ፕሮጀክት ግድብ መመንጨዊ ኤሌክትሪክ ምስ ግብፂ ምስ ዘለዋ ምስሕሓብ ከምዘይተተሓሕዞ ምውሳና ኣፍሊጣ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሎሚ ዓርቢ ከምዝገለፆ ግን ኩሉ ኣስታት 272 ሚሊዮን ዶላር ናይ ፀጥታን ልምዓትን ሓገዝ ሽዑ ንሽዑ ክውሕዝ እዩ ማለት ኣይኮነን፤ ኣብ ቀረባ ምስ ዝተፈጠሩ ክስታት ዝተሞርከሰ እዚ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ዝተፈጥረ ዘስካሕክሕ ግጭት ዝምስረት እዩ ኢሉ ኣሎ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ከምዝሓበሮ ሰብኣዊ ረድኤት ካብቲ እገዳ ነፃ ኮይኑ ኣሎ ኢሉ።እዚ ድማ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝገለፀሉ ኣፍሊጡ። ርእይቶ ወሃቢ ቃል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን። ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነቲ ቀጥታዊ ረድኤት ምስ ኣቋረፁዎ ኢትዮጵያ ቁጥዕኣ ገሊፃ ነይራ እያ።ኢትዮጵያ ምስ ግብፂ ብኣሜሪካ ካብ ዝምራሕ ልዝብ ድሕሪ ምስሓባ ትራምፕ ግብፂ ነቲ ናይ አባይ ግድብ ፕሮጀክት ክተፍርሶ እያ ዝብል ርእይቶ ሂቦም ነይሮም። ካብ ሕዳር ጀሚሩ ኣስታት ሽዱሽተ ሚሊዮን ህዝቢ ካብ ዓለም ዝበተኸሉ ኣብ ትግራይ ደማዊ ኵናት ብምክያዱ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ሕብረት ኣውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን ኣሜሪካን ፀቕጢ ይበፅሓ ኣሎ። ጃምላዊ ጭፍጨፋ ምፍፃሙ፣ሰባት ብጥምየት ምሟት ምጅማሮምን ናይ ዓይኒ መሰካኽር ገሊፆም ኣለው። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወታሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ከምዝርከቡ እንተተገለፀ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሉታ ሂቡሉ ኣሎ። ኣሜሪካ ወታሃደራት ኤርትራ ብዘይ ውዓል ሕደት ካብ ኢትዮጵያ ክወፁ ኣለዎም ኢላ እያ።ኣብ መጀመሪያ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን እውን ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ክልል ትግራይ ሰፊሕ ሰብኣዊ መግሃስቲ ይፍፀም ምህላው ኣዚዩ የተሓሳስበና ኣሎ ክብል ገሊፁ ኣሎ። እቶም ወሃቢ ቃል ብምውሳኽ ኣብ ትግራይ ይካየድ ዘሎ ውግእ ጠጠው ክብል፣ ምሉእን ዘይተደረትን ተበፃሕነት ሓገዝ ክፍቀድ መግሃስትታት ብገለልተኛ ምርመራ ክካየድን ተሓታትነት ሕጊ ክረጋገፅን ፀዊዖም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%89%81%E1%88%AB%E1%8C%BD-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%95%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%B5%E1%88%85%E1%89%A6-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%95%E1%88%93%E1%89%A5-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%93%E1%8B%98-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8A%AE%E1%8A%90-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A3\/5785240.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ፕረ.ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ መሓውራት ዜና ውሽጢ ሃገር(2ይ ክፋል)","content":"ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ረቡዕ 17 ለካቲት ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ኣመልኪቱ ምስ ማእከናት ዜና መንግስቲ ኣብ ዘካየዶ ሰፊሕ ቃለ-መሕትት ኣብ ምክልኻል ለበዳ ኮቪድ-19፡ኣብ ምሕያል ትካላት ጥዕና፡ምትዕርራይ ደሞዝ ሰራሕተኛታት መንግስትን ቀዳምነት ዝወሃቦም ሃገራዊ ናይ ልምዓት መደባትን ዝካየዱ ንጥፈታትን ኣተገባብሮምን ብዝርዝር ኣብሪሁ። ኣብ ምክልኻል ለበዳ ቫይረስ ኮሮና እቲ ኣማራጺ ጥንቃቀ ጥራይ ምዃኑ’ዩ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣስሚሩሉ።ብደረጃ ሃገር ዓመት ዓመት እናተመሓየሽ ዝኸይድ ጥሙር ናይ ልምዓት መደባት ይትግበሩ ከምዘለዉን ኣብ 2020 ዝተሰለዕ ደሞዝ መበገሲ ከምዝኾነን እናተገምገመ ምስ ግዜ ከምዝሓየሽን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብሪሁ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%8D%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8B%9C%E1%8A%93-%E1%8B%8D%E1%88%BD%E1%8C%A2-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD(2%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%8D%8B%E1%88%8D)\/5785299.html"} {"headline":"ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ንጉዳይ ሱዳን ኣመልኪቱ መግለጺ ሂቡ","content":"ኣሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ተኸሲቱ ዘሎ ምስሕሓባት ዶብ በቲ ዘሎ ሰላማዊ መንገዲ ንኽፍታሕ ንመንግስቲ ሱዳን ክምዕዱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፃውዒት ኣቅሪቡ ። ህዝቢ ሱዳን'ውን ጥቅሚ ክልቲኤን ሃገራት ሃሲዩ ጥቅሚ ሳልሳይ ወገን ንምዕዋት ይሰርሕ ኣሎ ንዝበሎ መንግስቲ ሱዳን ተጽዕኖ ክገብረሉ ሓቲቱ ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ መንግስቲ ሱዳን ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ንዘሎ ምስሕሓባት ዶብ ኣመልኪቱ ንዝፍጠሩ ፀገማት ናይ ምግዳድን ነገር ምፅሕታርን ባህርያት ይፍፅም ከምዘሎ ብምግላፅ ንተግባራቱ ኮኒኑ ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%AA%E1%89%B1-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%82%E1%89%A1\/5785204.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ፕረ.ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ መሓውራት ዜና ውሽጢ ሃገር","content":"ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ትማሊ ረቡዕ 17 ለካቲት,2021 ኣብ ዘቤታውን ዞባውን ምዕባለታት ኣመልኪቱ ምስ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝገብሮ ቃለ መሕተት ንህሉው ዞባውን ዘቤታውን ጉዳያት ሰፊሕ መብሪሂ ሂቡ። ኣብቲ ዞባዊ ጉዳያት ኣመልኪቱ ኣብ ጉዳይ ምስሕሓብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ጉዳይ ዲጋ ኣባይ ዝተፈጥረ ምስሕሓብን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ አተን ሃገራት ኣብ ምስግጋር እዋን ኣብ ዘለዋሉ አቲ ጉዳይ ምልዓሉ ምኽንያታዊ ከም ዘይኮነን ግዚኡ ዘይሓለወን'ዩ ድሕሪ ምባል ናይ ደገ ድፍኢት ዘለዎ ከም ዝኾነ ተዛሪቡ። እቲ ምስሕሓብ ቅልጡፍ ፍታሕ ዘድልዮ ጉዳይ ከምዝኾነ'ውን ኣመልኪቱ። እቲ ብመራሕቲ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ስሜን እዚ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ካብ ዝንቡዕ ኣጠማምታ ዝነቐለ \" ዕቡድ ኣተሓሳስባ እዩ\" ክብል ገሊጽዎ። ፕረዝደንት ኢሳያስ ብዛዕባ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ከም ዘሎ ንዝቐርብ ወቐሳን ክስን ብቐጥታ ዝሃቦ ምላሽ እንተዘየለ እኳ እቲ ጠቐነ ካብ ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ብሙዃኑ ዘገርም ኣይኮነን ክብል ምላሽ ሂቡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%8D%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8B%9C%E1%8A%93-%E1%8B%8D%E1%88%BD%E1%8C%A2-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-\/5783681.html"} {"headline":"እንግሊዛዊ ሚኒስትር ጉዳያት ኣፍሪቃ ኩነታት ትግራይ ከምዘሻቐሎም ገሊጾም","content":"'ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ሙሉእ ትግራይ ንክኣቱ' ኣብ ብሪጣንያ ሚኒስትር ጉዳያት ኣፍሪቃ ጀምስ ደድሪጅ ጸዊዖም። ንሶም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ 'ዓባይ ብሪጣንያ ብኩነታት ትግራይ ዓሚቅ ሻቅሎት ሓዲሩዋ ከምዘሎ፣ ህውከት፣ ዓሌታዊ ኣድልዎ ይፍጸም ከምዘሎ፣ ጽንኩር ሕጽረት መግቢ፣ ማይ፣ ነዳዲን ገንዘብን ተኸሲቱ ከምዘሎ’ውን' ጠቂሶም። ጀምስ ደድሪጅ ወሲኾም 'ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ሙሉእ ትግራይ ናይ ምእታው ዓቅሞም እንተዘይተማሓይሹ፣ ህዝቢ’ቲ ከባቢ ንዝተናወሐ ስቃይ ክቃላዕ እዩ’ውን' ኢሎም። እቶም እንግሊዛዊ በዓል ስልጣን 'ኣብ’ቲ ውግእ ዝሳተፉ ሓይልታት ትካላት ረድኤት ከምድላዮም ንክንቀሳቀሱ ክፈቅዱ፥ ናጻ ኣናዳዪ ሓቂ ኣትዩ ንዝተፈጸሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ንከጻርዩ ደጋጊምና መጸዋዕታ ኣቅሪብና ኢና' ከምዝበሉ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AD-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%89%A5%E1%88%AA%E1%8C%A3%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%BB%E1%89%90%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/5783667.html"} {"headline":"ዓረብ ኢማራት ገለ ክፋል ኣብ ወደብ ዓሰብ ዝነበራ ወታሃደራዊ መደብር ምብታና ተገሊጹ","content":"መወዳእታ ካብ ዘይብሉ ውግእ የመን ዝሳሓበት ዓረብ ኢማራት፣ ነቲ ኣብ ወደብ ዓሰብ ኤርትራ ቀሊሳቶ ዝነበረት ወታሃደራዊ መደበር ንገለ ክፋሉ ክተፍርሶ ጀሚራ። ሕቡራት ዓረብ ኢማራት፣ ነቲ ወታሃደራዊ መዓስከር ተረኪባ ዘስፋሓቶን ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት እዩ። ከበድቲ ኣጽዋርን ሰራዊት ሱዳንን ኣብ ጎድኒ ስዑድ ዓረብ አሰሊፋ፣ ኣንጻር ደገፍ ኢራን ዝረኽቡ ሰራዊት ሑቲ ትዋጋእ ጸኒሓ’ያ። ኢማራት ካብ ውግእ ናይ የመን ምስሰሓበት ግና፣ ኣቁሑታ እናጠርነፈትን እናግዐዘትን ከምትርከብ ሳተላይታዊ ምስልታት ኣርእዮም ኣለው። ዓረብ ኢማራት ብዛዕባ’ቲ ምዕባለ ርእይቶንክትህበሉ ንዝቀረበላ ሕቶ ክትምልስ ኣይካኣለትን። ነቲ መዓስከር ንሰላሳ ዓመታት ንኢማራት ዘካረየት ኤርትራ፣ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ንዝርከብ ኤምባሲኣ ተመሳሳሊ ሕቶ ቀሪቡ መልሲ ክህብ ኣይካኣለን። ብመሰረት ኪኢላታት ሕቡራት ሃገራት፣ ኢማራት ኣብ ዓሰብ፣ ታንክታት፣ ነፈርቲ ውግእን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮንን) ኣዋፊራ ነይራ። ኣብ ውግእ የመን’ውን ኣብ ጥቅሚ ውዒሎም እዮም። ኢማራት፣ ንመራሕቲ ደባይ ተዋጋእቲ ሑቲ ንምቅንጻል ሰብ ኣልቦ ነፋሪት (ድሮን) ተጠቂማ እያ። እዛ ሃገር’ዚኣ፣ ነቲ ኣብ ዓሰብ ዝሃነጸቶ መደብር ድሮን ክተፍርሶ ዝጀመረት ግና፣ ደባይ ተዋጋእቲ ትግራይ፣ ድሮናት ኢማራት ኣብ ልዕሌና ደብዳብ ፈጺመን ኢሎም ዝሓለፈ ሕዳር ድሕሪ ምኽሳሶም እዩ። ሕቡራት ዓረብ ኢማራት፣ ብዛዕባ’ቲ ዝቀረበላ ክሲ ግብረ መልሲ ኣይሃበትሉን፣ እቶም ደባይ ተዋጋእቲ’ውን እንተኾነ መረጋገጺ ኣየቅረቡን ዘለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%88%9B%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8C%88%E1%88%88-%E1%8A%AD%E1%8D%8B%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%8B%B0%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AB-%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%88%AD-%E1%89%B0%E1%8B%8D%E1%8C%BD%E1%8A%A5-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5783650.html"} {"headline":"ኣብ መላእ ክልል ትግራይ ሓይሊ ኤሌትሪክ ምቁራጹ ተሓቢሩ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ \"ተረፍመረፍ ጁንታ\" ኢሉ ዝጽውዖም ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ኣብ ምሉእ ክልል ትግራይ ሓይሊ ኤለክትሪክ ዳግም ከም ዝተቛረጸ ኣፍሊጡ። ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፋና፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዓዲ ጉዶም ዝተባህለ ከባቢ- ካብ ኣላማጣ-ንመኾኒ- ንመቐለ ኣብ ዝተዘርግሐ ልዑል ሓይሊ ኤለክትሪክ መተሓላለፊ መስመር : ከም ዝተፈጸመ`ውን መንግስቲ ኣፍሊጡ`ሎ። እቲ መስመር ቅድሚ ሎሚ ከቢድ ጉድኣት ወሪድዎ ከምዝነበረን ንምዕራዩ ድማ ንውሕ ዝበለ ግዜ ከምዝወሰደን`ውን ይገልጽ። ክልል ትግራይ ፡ሓይሊ ኤለክትሪክ ካብ ዝረኽበሎም መስመራት ሓደ-መስመር ኣላማጣ-መኾኒ-መቐለ`ዩ ዝበለ እቲ ሓበሬታ ፋና- መስመር ተከዘ ኣኽሱም`ውን ኣብ ምትዕርራይ ከምዝነበረ ምግላጹ ይዝከር ይብል። በዓል-ስልጣን ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ዝዓነወ ትሕተ ቅርጺ ዳግም ብምጽጋን መሊሱ ሓይሊ ንኽጅምር ይሰርሕ ምህላዉ ምግላጹ`ውን ኣገልግሎት ዜና ፋና ጠቒሱ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%88%8B%E1%8A%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%8A%A4%E1%88%8C%E1%89%B5%E1%88%AA%E1%8A%AD-%E1%88%9D%E1%89%81%E1%88%AB%E1%8C%B9-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5782277.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ምዕራብ ወለጋ 10 ሰባት ምቕታሎም ነበርቲ ገሊጾም","content":"ኣብ ምብራቕ ወለጋ ዞባ ጊዳ ኣያና፡ ኣብ ከተማ ኣንገር ጉትን 10 ሰባት ከም ዝተቐተሉ- መሰኻኽር ዓይኒ ኢና ዝበሉ ነበርቲ`ታ ከተማ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም። እቲ ዝሓለፈ ሰንበት ከምዝተፈጸመ ዝግለጽ ቅትለት መን`ዩ ፈጺምዎ ኣብ ዝብል ግልጺ ኣይኮነን። ብዛዕባቲ ጉዳይ ዝተሓተተ ኣመሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ወለጋ፡ ነቲ ጉዳይ ዘጻሪ ጉጅለ ናብቲ ስፍራ ከምዝለኣኸ ኣፍሊጡ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8C%8B-10-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%B3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/5782266.html"} {"headline":"ሱዳን: ኣምባሳደራ ካብ ኢትዮጵያ ምጽውዓ ኣፍሊጣ","content":"ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብዘሎ ናይ መሬት ምስሕሓባት ኣብዚ ሰሙን ሰራዊት ኢትዮጵያ ዶብ ሰጊሮም ናብ መሬተይ ኣትዮም ክትብል ሱዳን ከሲሳ። ብኻልእ ወገን፡ ሱዳን ኣምባሳደራ ካብ ኢትዮጵያ ንምኽክር ብዝብል ከምዝጸዋዓቶ ኣፍሊጣ`ላ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B3%E1%8B%B0%E1%88%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%8C%BD%E1%8B%8D%E1%8B%93-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A3\/5782203.html"} {"headline":"ኣብ ደሴ ናይ ድጋፍ ሰልፊ ተኻይዱ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ መተከልን ካልኦት ከባቢታት’ታ ሃገርን፣ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ኣምሓራ ይወርድ ኣሎ ዝብልዎ ግፍዒ ንክምክትን፣ ኣብ ልዕሊ ኣብ ጥፍኣት ሃገር ተዋፊሩ ነይሩ ዝበልዎ ዕጡቅ ህወሓት ዝተወሰደ ስጉምቲን ዝተመዝገበ ዝበልዎ ዓወትን ንድግፍ ዝብል ሰልፊ ኣብ ስታድየም ደሴ ተካይዱ። ከንቲባ ደሴ ኣቶ ኣበበ ገ\/መስቀል ‘ንዝሓለፉ ሰላሳ ዓመታት፣ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዝፈላልዩ ናይ ሓሰት ታሪኽ ኮነ ተባሂሉ ንክጋፋሕ ከምዝተገበረ’ ጠቂሶም። ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብቀ\/ሚ ኣብዪን ናይ ለውጢ መሪሕነትን ንዝተፈጸሙ ተግባራት ዝናኣዱ እቶም ከንቲባ ‘ምስ ኤርትራ ዝተሓደሰ ምሕዝነት፣ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝተወሰደ ስጉምቲ፣ ንመንፈስ ኢትዮጵያዊያነት ንምምላስ ዝተገብሩ ጻዕሪታት ከምኣብነት ምልዓሎም ተገሊጹ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%B0%E1%88%B4-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%B5%E1%8C%8B%E1%8D%8D-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/5781736.html"} {"headline":"መግለጺ አካቢት ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ወ\/ሪት ብርቱኳን ሚድቅሳ","content":"ኣካቢት ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ወ\/ሪት ብርቱኳን ሚድቅሳ፣ ኣብ ሻድሻይ ሃገራዊ መረጻ ንዝሳተፉ፣ መግለጺ ሰናይ መልእኽቲ ብፊስቡክ ኣሕሊፈን። ‘እቲ ቦርድ ብሕጊ ንዝተነበረሉ ሓላፍነት ከምዝዋጻእ’ውን’ መረጋገጺ ሂበን። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ሓደ ሓደ ተናሓናሕቲ ፖለቲካዊ ፓርቲታት’ታ ሃገር፣ ንወፍሪ መረጻ ከምዝጀመሩ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ። መራሒ ፓርቲ ብልጽግና ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ፣ንማንፌስቶ መረጻ’ቲ ፓርቲ ትማሊ ብወግዒ ኣፋሊጦም ኣለው። እቲ ማኒፌስቶ፣ ፓርቲ ምስ ህዝቢ ዝኣትዎ ኪዳን’ምበር ውዕል ኣይኮነን’ ኢሎም። ኢዜማ ብወገኑ ‘ምስ ኣብ ዝተፈላለዩ ከቢታት’ታ ሃገር ዝርከቡ መራሕቲ’ቲ ፓርቲ እናተራኸባ ይማኸር ከምዘሎ’ ጠቂሱ ኣሎ። መራሒ ኦፌኮ ዶ\/ር መረራ ጉዲና ብወገኖም ‘ኣብ’ቲ መረጻ ንምስታፍ ድልየት ከምዘሎ እንተኾነ ከበድቲ ጸገማት ኣጓኒፎም ከምዘለው ገሊጾም’ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%89%A2%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%89%A6%E1%88%AD%E1%8B%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%88-%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B1%E1%8A%B3%E1%8A%95-%E1%88%9A%E1%8B%B5%E1%89%85%E1%88%B3\/5781693.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ በዓል ሞያ ሕጊ ኣምሃ ሃብተማርያም","content":"ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራን ካልኦት 12 ሃገራትን ንነባርነት ዝምልከት እገዳ ቪዛ ኣሜሪካ ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ስልጣን ኣብ ዝሓዘሉ ቀዳማይ መዓልቲ ኣልዒልዎ'ሎ። እንተኾነ ሕጂ'ውን ኤርትራ ካብተን ንዝጥረዙ ዜጋታትክን ምቕባል ኣቢኽን ተባሂለን እገዳ ቪዛ ዝተገብረለን ሃገራት ኮይና ቀጺላ'ላ። ንሱ'ውን ክልዓል'ዩ ዝብል ትጽቢት እንተሎ'ውን መኣስ ከምዝልዓል ንጹር ኣይኮነን ይብል ጠበቓ ኢሚግረሽን ኣቶ ኣምሃ ሃብተማርያም ካብ ቨርጂንያ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%88%9E%E1%8B%AB-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%83-%E1%88%83%E1%89%A5%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%AD%E1%8B%AB%E1%88%9D\/5780683.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ፡ መንእሰያት ብሰለማዊ መንገዲ ክቃለሱ መጸዋዕቲ ኣቕሪቡ","content":"ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ መንእሰያት ብሰለማዊ መንገዲ ክቃለሱ መጸዋዕቲ ኣቕሪቡ። ዶ\/ር ኣቢይ ትማሊ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ደምቢደሎ ህንጸት ቅጥራን ጸርግያ ኣብ ዝመረቐሉ እዋን ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ህዝቢ ይኾነኒ'ዩ ንዝበሎ ፖለቲካዊ ውድብ ንምምራጽ ክሳተፍ`ውን ጸዊዑ`ሎ። ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ብተወሳኺ፡ ዝተዛዘመ ጽርግያ ሻምቡ ባኮ`ውን መሪቑ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A2%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%9B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%8A%AD%E1%89%83%E1%88%88%E1%88%B1-%E1%88%98%E1%8C%B8%E1%8B%8B%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%95%E1%88%AA%E1%89%A1-\/5779170.html"} {"headline":"ክልተ ፓርቲታት ክልል ዓፋር ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ምርጫ ሶማል ንዘእተዎም ሰለስተ ቀበሌታት ከምዘይቕበልዎ ኣፍሊጦም","content":"ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ዓፈር ንዝርከቡ ሰለስተ ቀበሌታት ኣብ ክልል ምርጫ ሶማል ምእታዉ ኣይንቕበሎን ኢና ክብሉ ክልተ ፓርትታት ክልል ዓፈር ኣፍሊጦም። እቲ ቦርድ: ምትዕርራይ እንተዘይገይሩ፡ ኣብ ምርጫ ክሳብ ዘይምስታፍ ክበጽሕ ዝኽእል ውሳነ ከሕልፉ ከም ዝኽእሉ`ውን ኣሰሚዖም ኣለዉ። ቦርድ ምርጫ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቶም መደበራት ምርጫ፡ ሰባት ኣብ ቀረብኦም ናይ መምረጺ ቦታ ረኺቦም መታን ክመርጹ ዝተዳለወ`ምበር ናይ ወሰን ምምሕዳር መግለጺ ኣይኮነን ኢሉ`ሎ። ብዛዕባ`ቲ ክርክር ካብ ናጻ ወገን ንምጽራይ ድምጺ ኣሜሪካ ዝገበሮ ጻዕሪ ንግዚኡ ኣይሰለጠን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A6%E1%88%AD%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8D%88%E1%88%AD-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%89%80%E1%89%A0%E1%88%8C%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%89-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%95%E1%89%A0%E1%88%8D%E1%8B%8E-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A6%E1%88%9D\/5779148.html"} {"headline":"ሓደ አባል መሪሕነት ፓርቲ ኢዜማ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ምቕታሉ ተገሊጹ","content":"ኣባል መሪሕነት ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ(ኢዜማ) ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ከምዝተቐተለ እቲ ፓርቲ ኣፍሊጡ። ትማሊ ሰንበት ኣብ ብሾፍቱ ብጥይት ከምዝተቐተለ ዝግለጽ ዘሎ አቶ ግርማ ሞገስ ለገሰ፤ ኣብ አድአ ምርጫ ወረዳ 1 ኣቦ መንበር ዝነበረ ምዃኑ ተገሊጹ`ሎ። ብዛዕባ`ቲ ቅትለት ዝተሓተተ ፖሊስ ከተማ ቢሾፍቱ ቅድሚ መርመራ ምውድኡ ሓሳብ ክንህብ ኣይንኽእልን ኢና ኢሉ`ሎ። ወሃቢ ቃል ኢዜማ ኣቶ ናትናኤል ፈለቀ ቅድሚ ሎሚ`ውን ምፍርራሕ ይጋጥሞም ከምዝነበረ ንሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ይመጾ ከምዝነበረ ሓቢሩ`ሎ::","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%88%AA%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%8B%9C%E1%88%9B-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%89%A2%E1%88%BE%E1%8D%8D%E1%89%B1-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%B3%E1%88%89-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9-\/5779138.html"} {"headline":"ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ክልል ትግራይ ዝጀምረ ተቓውሞ ቀጺሉ'ሎ: ኣብ ከተማ መቐለ ግን ምንቅስቃስ ናብ ንቡር ምምላሱ ተገሊጹ","content":"ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ትግራይ፣ ትካላት ንግድን ወሃብቲ ኣገልግሎትን ናይ ምዕጻው ከምኡ'ውን ኣገልግሎት መጓዓዝያ ሎሚ ዓርቢ'ውን ተቋሪጾም ከምዝዋዓሉ ተፈሊጡ። ኣብ'ቲ ተቃውሞ ህይወት ሰባት ከምዝሓለፈ'ውን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም። ኣብ ከተማ መቐለ ንሰለስተ መዓልታት ተቃውሞ ድሕሪ ምክያድ ሎሚ ናብ ንቡር ተመሊሱ ክብል ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ከተማ መቐለ ገሊጹ'ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A8-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8C%80%E1%88%9D%E1%88%A8-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%88%9E-%E1%89%80%E1%8C%BA%E1%88%89-%E1%88%8E-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8C%8D%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%B5%E1%89%83%E1%88%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%89%A1%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%B1-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5776341.html"} {"headline":"‘ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣሎ፣ ጠቅሊሉ ይውጸአልና’ ከምዝተባሃለ ሓላፊት ቢሮ ርክብ እቲ ክልል ገሊጸን","content":"ኣብ’ዚ ሳልስቲ ኣብ መቐለ ኣብ ዝተሳለጠ ሓባራዊ ኣኼባ ምስ መራሕቲ ሃይማኖታት፣ ኣቦታትን ዓበይቲ ዓድን \"ናብ ንቡር ንምምላስን ሰላም ንክዓስልን መታን ክውሰዱ ብዛዕባ ዝግበኦም ኣገደስቲ ጉዳያት ከምዝተዘተየሉ\" ጊዚያዊት ሓላፊት ቤሮ ኮምኒኬሽን ትግራይ ወ\/ሮ እቴነሽ ንጉሰ ገሊጸን። ኣብ ኩነተ ሰብኣዊ ሓገዛት ኣመልኪተን ወ\/ሮ እቴነሽ ክዛረባ ከለዋ \"ዘወርቲ ዓበይቲ ማካይን፣ ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታ ናብ ርሑቅ ከባቢታት ክኸዱ ድልየቶም ከምዘይነበረ፣ ድሕሪ ተኸታተሊ ጻዕሪ ግና ኣብ’ዚ እዋን ዝተወሰና ረድኤት ዝጻዓና ማካይን ክኣትዋ ምኳነን\" ጠቂሰን። ንሰን ምስ ቪኦኤ ኣብ ዘካየደኦ ቃለ ምልልስ ኣብ’ቲ ኣብ’ዚ ቅነ’ዚ ምስ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲን ኣብ መቐለ ዝተካየደ ኣኼባ \"ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣይኣተወን ኣይትበሉና፣ ኣለው እዮም።ጠቅሊሎም ይውጽኡልና። ህዝብና ብሰንኮም ተዘሪፉ እዩ፣ ተቀቲሉ እዩ። ተፈናቂሉ እዩ። ብዙሕ መከራ እዩ ዝወርዶ ዘሎ። ንምዕራብን ደቡብን ትግራይ ተቆጻጺሩ ዘሎ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ’ውን ክወጽእ ኣለዎ\" ዝብሉ ነጥቢታት ከምዝተማሓላለፉ’ውን ጠቂሰን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%8C%A0%E1%89%85%E1%88%8A%E1%88%89-%E1%8B%AD%E1%8B%8D%E1%8C%B8%E1%8A%A0%E1%88%8D%E1%8A%93-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%83%E1%88%88-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8A%E1%89%B5-%E1%89%A2%E1%88%AE-%E1%88%AD%E1%8A%AD%E1%89%A5-%E1%8A%A5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B8%E1%8A%95-\/5776328.html"} {"headline":"'ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ምውጻእ ቀዳምነት ዝዋሃቦ እዩ' ይብል ጥምረት ዓለም ለኸ ማሕበር ተጋሩ","content":"‘አብ’ዘን ዝቅጽላ ክልተ ኣዋርሕ ከም መድሓኒት፣ መግቢ፣ ማይን ካልኦትን ዝኣምሰሉ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝን ረድኤትን ናብ ትግራይዩ፣ ኣብ ዓለምና ዛጊድ ዘይተራኣየ ናይ ህዝቢ ህልቂት ከጋጥም ከምዝኽእል’ ተገሊጹ። ነዚ መግለጺ'ዚ ዝሃበ ‘ቅድሚ ኣስታት 6 ዓመታት ብደረጃ ዓለም ዝተጣየሸን መሓውሩ ኣብ ትግራይ፣ ኣዲሳበባን ዝተፈላለያ ሃገራትን ዝዘርገሐ ብምሕጻረ ቃል OTNAA-Worldwide ዝባሃል ‘ዓለም ለኸ ጥምረት ተጋሩ ንኣዎንታዊ ለውጢ’ እዩ። ሰራዊት ኤርትራ ብህጹጽ ካብ ትግራይ ንክወጽእ ዝጽውዕ እዚ ጥምረት’ዚ፣ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ሙሉእ ትግራይ ንክባጻሕ፣ ናጻ ኣካል ናብ ትግራይ ኣቱ ንዝወረደ ግፍዒን መግሃስቲን ንከጻሪ ጸዊዑ ኣሎ። ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ንክወጽእ እንተዘይኪኢሉ ብግልጺ መጸዋዕታ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ንከቅርብ’ውን እቲ ጥምረት ኣዘኻኺሩ። ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚን ተኣሳሲሮም ዝቀርቡን ሕቶታት ተመስሪቱ ምስ ጊዚያዊ ሓላፊት ቢሮ ኮምኒኬሽን ትግራይ ወ\/ሮ እቴነሽ ንጉሰ ሙሉእ ቃለ ምልልስ ኣካይድና ኣለና። ንጽባሕ ሓሙስ ተጸበዩና። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/otnna-world-wide-dr-aregawi-mebrahtu-tigray-humaniterian-csisis-eritrean-troops\/5774869.html"} {"headline":"ግብረመልሲ ኤርትራ ንመግለጺ ሕብረት ኣውሮጳ","content":"ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፥ ሓባራዊ መግለጺ ላዕለዎት ተወከልቲ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ጉዳይ ቀውሲ ክልል ትግራይ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ጉዳይ ኢሉ ዝሃቦ መግለጺ ዘስደምም'ዩ ዝብል ምላሽ ሂቡ። ኣቶ የማነ ኣብቲ መልእኽቱ: \"እዚ መግለጺ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ድሮ'ቲ ናብቲ ዞባ ዝልኣኾ አጻራይ ልኡኹ ዝወጸ ምዃኑ ዘይዝኑቕን ፍሉይን ይገብሮ\" ኢሉ። \"መግለጺ ሕብረት ኤውሮጳ ምግዳድ ዓሌታዊ ጎንጺ ኢሉ ዝቑዝም\" ዝበለ ትዊተር ኣቶ የማነ ገብረመስቀል : ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ሕጂ ዘየለ ህውሓት ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብታ ሃገር ክኽተሎ ዝጸንሓ ዓሌትን ምክፍፋልን መሰረት ዝገብረ ኣሰራርሓ ንዓመታት ዝቐጸለ ጎነጽ ዘሰዓበ ቀውሲ ግን ዝረሰዐ ይመስል ኢሉ:: ብተወሳኺ ህውሓት ድሕሪ'ቲ ታሪኻዊ ስምምዕ 2018: ንዓለምለኸ ሕጊን፥ ነቲ ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት ዓለምለኸ ሓይልታት ዝተሳተፉሉን ዝተሰማማዕሉን ውዕል ሰላም ኣልጀርስ ብምጥሓስ ንልኡላዊ መሬት ኤርትራ ምቁጽጻሩ ቀጺሉ ኔሩ'ዩ ዝበለ ሚንስተር ዜና ኤርትራ፥ ኣብ ኩሎም እዞም ዝተጠቀሱ ኣብነታት ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ሞራላዊ ሓላፍነቱ ብምልዓል ብቢልዮናት ዝቑጸር ናይ ባጀትን ካልእ ሓገዝ ነቲ ጉጅለ ክህብ ጸኒሑ'ዩ ስለዚ ሕጂ ሕብረት ኣውሮጳ ፖሊሲኡ ዘሓድስሉ እምበር ንኤርትራ ዝኸሰሉ ጊዜ ኣይኮነን ኢሉ:: ሕብረት ኤውሮጳ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ሓባራዊ መግለፂ እቲ ግጭት ካብ ዝጅመር ሰለስተ ኣዋርሕ እንተሓለፈ`ውን ሕጂ`ውን እኹል ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ከም ዘይተኻእለ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ግጭት የጎሃህሩን ግፍዕታት ይፍፅሙን ዓሌታዊ ህውከት የጋድዱን ኣለዉ ዝተባህሉ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወፁ ድማ ነቲ ኣሜሪካ ዘቕረበቶ ጻውዒት ንካፈል ኢሉ ኔሩ`ዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%88%AE%E1%8C%B3\/5774700.html"} {"headline":"'ኣብ ክልል ትግራይ ዘለዋ ትካላት ጥዕና ብቅልጡፍ ንኣገልግሎት ክዳለዋ ይግባእ' ፕረ. ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ዘለዋ ትካላት ጥዕና ብቅልጡፍ ንኣገልግሎት ክዳለዋ ይግባእ ክብሉ ፕረዚደንት ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ፍራንቸስኮ ሮካ ኣፍሊጦም። ፕረዚደንት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣቶ ኣበራ ቶላ ብወገኑ \"ሎሚ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት፣ ቅድሚ’ቲ ውግእ ዝነበሩ ድምር ጸገማት\" ከምዝኾኑ ጠቂሱ'ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8B-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%89%A5%E1%89%85%E1%88%8D%E1%8C%A1%E1%8D%8D-%E1%8A%95%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8B%B3%E1%88%88%E1%8B%8B-%E1%8B%AD%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%8A%A5-%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%88%95-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%89%80%E1%88%8D\/5774687.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተፈጥረ ጎንጺን ዝወረደ ዕንወትን ኣስታት 3 ቢልዮን ብር ዝግመት ኪሳራ ምብጽሑ ፈደራል ፖሊስ ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተፈጥረ ጎንፂ ኣብ ትሕተ ቅርጺት ብዝወረደ ዕንወትን ምትዕንቓፍ ኣገልግሎታትን ከባቢ 3 ቢልየን ብር ዝግመት ክሳራ ከምዝወረደ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ። \"ዕንወት ወሪድዎም\" ምስ ዝተባህሉ ትካላት ብምትሕብባር መርመራታት ከምዘካየደ ዝገለፀ ኮምሽን ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ሕጂ'ውን ዘይዛዘሞ መርመራታት ከምዘለውዎ ሓቢሩ እዩ። ኢትዮ ቴሌኮም ፣ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ፣ ትካል ኣቅራቢ ነዳዲ ኢትዮጵያ፣ ትካል መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ሕብረት በረራን፣ ባንኪንግዲ ኢትዮጵያን በቲ ሓደጋ ጉድአት ዝበፅሖም ትካላት ኣብ ዝብል ዝርዝር ሰፊሮም ኣለው ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%A8-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8C%BA%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B0-%E1%8B%95%E1%8A%95%E1%8B%88%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-3-%E1%89%A2%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%8C%8D%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%8A%AA%E1%88%B3%E1%88%AB-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%88%91-%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5774674.html"} {"headline":"ናይ ኢትዮጵያ ሃይማኖታዊ ትካላትን ዓበይቲ ዓዲን ኣብ ከተማ መቐለ መድረኽ ሰላም ኣካይዶም","content":"ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያን ዓበይቲ ዓድን ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ መድረኽ ሰላም ኣካይዶም፡፡ ትካላት ሃይማኖት ክልል ትግራይ እቲ መድረኽ ሰላም ብምቅዋም ኣይተኻፈሉን ተባሂሉ ኣሎ፡፡ ነዚ ስዒቡ ኣብ ከተማ መቐለ ተቓውሞ ተኻይዱ ኣሎ፡፡ ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ፡፡ No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%83%E1%8B%AD%E1%88%9B%E1%8A%96%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%93%E1%89%A0%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%8B%93%E1%8B%B2%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%8A%BD-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D\/5774709.html"} {"headline":"ፕረ.ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ኣብ ብሩንዲ የካይዳ ኣለዋ","content":"ናይ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ንናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ዑደት ኣብ ከተማ ቡጅምብራ ብሩንዲ ከምዝኣተዋ ተፈሊጡ። ትማሊ ኣብ ከተማ ቡጁምብራ ክእታዋ ከለዋ ፕረዚደንት'ታ ሃገር ኤቫሂስቴ ንሳይሽምየ ተቐቢሎምወን። ዕላማ ናይቲ ምብጻሕ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ርክባት ንምሕያል ምዃኑ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ተዛሪበን። \"ናብ ብጁምብራ ምምፅአይ ሓጎስ ይስምዓኒ።ቅድሚ ሎሚ መፂአ ዝፈልጥ እንተኾንኩ እውን ናይ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ኮይነ ኣብዚ ምርካበይ ሕጉስቲ እየ። ክልቲአን ሃገራት ጥቡቕ ርክብ ኣለወን፤እቲ ምሕዝነት ናብ ዝሓሸ ብርኪ ክነዕብዮ ድልየት ኣለና\" ኢለን። ብሩንዲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኤምባሲ ኣለዋ፤ኢትዮጵያ ግን ኣብ ቡጅምብራ ኤምባሲ ኣይኸፈተትን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%B3%E1%88%85%E1%88%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%85-%E1%8B%98%E1%8B%8D%E1%8B%B4-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%A5%E1%88%A9%E1%8A%95%E1%8B%B2-%E1%8B%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B3-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8B-\/5773179.html"} {"headline":"ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ሲዳማ ንቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ዝድግፉ ሰልፊታት ተኻይዶም","content":"ተሳተፍቲ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ክልል ሲዳማ ከተማ ሃዋሳ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን መንግስቶምን ንድግፍ ዘለና ኣብናቶም ናይ ስልጣን ዘመን ለውጢ ብምርኣይናን ንድልየት ህዝቢ ዘኽብርን ምምሕዳራዊ ስርዓት ይሃንጹ ብምህላዎም እዩ ኢሎም ። ኣብ መጠቓለሊ ናይቲ ሰልፊ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ኣብ ዝርከብ ስታዲዮም መደረ ዘስምዑ ፕረዚደንት ክልል ሲዳማ ደስታ ሌዳሞ እቲ ለውጢ ሓቀኛ ስርዓት ፌደራሊዝም ግብራዊ ዝኾነሉ ብምዃኑ ህዝቢ ሲዳማ ናይ ባዕሉ ዕድል ብባዕሉ ክውስን ምፍቃዱ መርኣያ እዩ ኢሎም። ተመሳሰልቲ ሰልፍታት ኣብ ክልል ደቡብ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ሆሳእና፣ኣርባምንጭን ካልኦት ተኻይዱ ኣሎ።ኣብቲ ሰልፊ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ሃገሮም ካብ ሓደጋ ምብትታን ዘድሓኑ ድንቂ መራሒ ስለዝኾነ ነመስግን ዝብል ጭርሖታት ምስምዖም ተሓቢሩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%B2%E1%8B%B3%E1%88%9B-%E1%8A%95%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8B%B5%E1%8C%8D%E1%8D%89-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D\/5773157.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ኣብ ናይ መግቢ ምሕሳም አድማ ንዘለው እሱራት ዝቐረበ ምሕጽንታ ከምዘይተዓወተ ተገሊጹ","content":"ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኢትዮጵያ ንመበል 15 መዓልታት ኣብ ናይ ጥምየት ኣድማ ዝቐፀሉ በዓል ኣቶ ጀዋር መሓመድ መግቢ ክበልዑ ውሩይ ፖለቲከኛ ሌንጮ ለታ ሓዊሱ ከእምንዎም ናብ መአረሚ ማእከል ቃልቲ ከይዶም ዝነበሩ ሽማግለታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ፃዕሮም ከምዘይትዓወተ ገሊፆም። እቲ ናይ ጥምየት ኣድማ እንተድኣ ቀፂሉ ክወርድ ዝኽእል ሓደጋ ንምንካይ እቲ ጉዳይ ንዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ንምዝርራብ ከምዝተሓሰበ ተሓቢሩ ኣሎ። ኣብቲ ናይ ጥምየት ኣድማ ካብ መንጎ ዝተሳተፉ ሓሚሞም ናብ ሆስፒታል ዝኣተው ከምዘለው'ውን ተፈሊጡ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%88%B3%E1%88%9D-%E1%8A%A0%E1%8B%B5%E1%88%9B-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%8A%A5%E1%88%B1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%88%A8%E1%89%A0-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%8C%BD%E1%8A%95%E1%89%B3-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%88%E1%89%B0-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5773141.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ 9 ሚልዮን ክታበት ቫይረስ ኮሮና ዶዝ ንምእታው ትሰርሕ ምህላው ተገሊጹ","content":"ኢትዮጵያ ኣብ መወዳእታ ሚያዚያ 2013 ዓ.ም ትሽዓተ ሚሊዮን ዶዝ ክታበት ኮቪድ19 ናብ ሃገራ ንምእታው ትሰርሕ ከምዘላ ኣፍሊጣ። ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝገለፆ ክሳብ መወዳእታ 2013 ካብ ኣጠቓላሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ 20 ሚእታዊት ክታበት ክረክብ ይስራሕ ኣሎ ኢሉ። ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትው መጠን ክታበት ንእሽተይ ብምዃኑ ንኩሉ ብሓንሳብ ንምብጻሕ እቲ ሕብረተሰብ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ጥንቃቐ ክገብር ኣለዎ ክብል ሚኒስትሪ ጥዕና ኣተሓሳሲቡ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-9-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%89%B3%E1%89%A0%E1%89%B5-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8D-%E1%89%B5%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5773124.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመዕቖቢ ስደተኛታት ሽመልባን ህፀፅን ክዓፅዎም ወሲኑ","content":"ናይ ሽመልባን ህፃፅን መዕቖቢ ስደተኛታት ንምዕፃው መንግስቲ ኢትዮጵያ ምውሳኑ ተፈሊጡ።ኣብ ክልቲኦም መዕቖቢታት ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ ህወይት ይኹን ንብረት ንዝወረደ ጉድኣት ተሓታቲ ህወሓት እዩ ክብሉ ናይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኤጀንሲ ዋና ዳይረክተር ኸሲሶም። ሎማዕንቲ ኣብ ምንስቴር ጉዳታር ወፃኢ ኣብ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለፂ ናይ ስደተኛታትንብ ካብ ስደተ ተመልስቲን ኤጀንሲ ዋና ዳይረክተር ኣቶ ተስፋሁን ጎበዛይ ናይ ሽመልባን ህፃፅን መዕቖቢ ስደተኛታት ብመንግስቲ ክዕፀው ከምዝትወሰነ ገሊፆም። እቶም ዋና ዳይረክተር ከምዝገለፁዎ ክልቲኦም መዕቖቢ ማእኸላት ብናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ ስደተኛታት ኮሚሽን ሕጊ መሰረት ካብ ዓንተብኡ እውን ክኽፈቱ ዘይነበሮም እዮም ኢሎም። ብመሰረት ሕጊ ዓለምለኸ ኮሚሽን ስደተኛታት መዕቖ ስደተኛታት ካብ ዶባት ብሓምሳ ኪሎ ሜትር ሪሒቖም ክምስረቱ እናተገብኦም ሽመልባ 20 ኪሎ ሜትር ጥራሕ ሪሒቑ ከምዝርከብ ሓቢሮም። ‘’መጀመርትኡ እውን ልክዕ ኣይነበረን፤ሕዚ እውን ክቕፅል የብሉን ኣብ ዝብል ተዘራሪብና ኣብ ሽመልባ ዘለው ስደተኛታት ናብ ካልኦት ካምፕታት ብምውሳድ ወይ ካብ ካምፕ ወፃኢ ክነብሩ መሰል ምሃብ ወይ ምስ ሕብረተሰብ ክፅምበሩ ብምግባር እቲ ካምፕ ምዕፃው ዝከኣለሉ ኣገባብ ተዘራሪብና ተሰማሚእና ኣለና’’ ኢሎም። ኣቶ ተስፋሁን ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ሽመልባን ህፃፅን ዝነበሩ ኣስታት 20,000ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣበይ ከም ዝኣተው ኣይፍለጥን ዝብሉን ካልኦትን ተመሳሰልቲ ሪፓርትታት ፍፁም መሰረት ኣልቦ እዮም ኣለው። ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-government-decided-to-close-two-home-erirean-refugee-capmps-in-tigray\/5771750.html"} {"headline":"ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኣገልግሎቱ ክሰፍሕ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ምሕታቱ ገሊጹ","content":"ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኣገልግሎቱ ንከስፍሕ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምሕታቱ ኣፍሊጡ። \"ኣብ’ቲ ክልል ዘሎ ሰብኣዊ ረድኤት ይማሓየሽ’ሎ፣ ረድኤት ዝረኽቡ ሰባት’ውን በብጊዚኡ ብዝሖም እናወሰኸ ክኸ ተስፋ እገብር\" ክብሉ ኣብ ኢትዮጵያ ወኪል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ስቲቨን ኦማሞ ተዛሪቦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B1-%E1%8A%AD%E1%88%B0%E1%8D%8D%E1%88%95-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%89%B3%E1%89%B1-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5771861.html"} {"headline":"አምነስቲ ኢንተርናሽናል መንግስቲ ኢትዮጵያ ቃሉ ንክሕሉ ጸዊዑ","content":"ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ’ቲ ብሰንኪ ውግእ ይሳቀ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዛት ንክባጻሕ ክንፈቅድ ኢና ኢሎም ንዝኣተውዎ ቃል ንክትግብሩ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ። ዳይረክተር አምነስቲ ጨንፈር ቀርኒ ኣፍሪቃ ሳራ ጃክሰን ሎሚ ኣብ ዝዘርገሐቶ መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሰብኣዊ ሓገዛትን ሰራሕተኛታት ረድኤትን ናብ ህዝቢ ትግራይ ንክባጻሕ ክንዲ ዝካኣሎም ንክገብሩ ኣዘኻኺራ። \"መጠን እቲ ሓደጋ ክሳዕ ክንዲ’ዚ ካብ ኮነ\" ይብል አምነስቲ ኢንተርናሽናል \"ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ካብ’ዚ ዝኣተውዎ ውዕል ድሕር ክብሉ ኣይግባእን፣ ኣብ’ቲ ውግእ እጀታ ዘለዎም ሓይልታት፣ ብመሰረት ዓለምለኸ ሕጊታት ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይጸገምን ብቅልጡፍን ንክባጻሕ ክዓዩ\" ሓቲቱ ኣሎ። ንዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ፣ ብሰንኪ ምቁራጽ ኢንተርኔትን ተሌፎንን፣ ኩነተ ቃንዛ ህዝቢ ትግራይ ሕቡእ ኮይኑ ከምዝጸንሐ ኣምነስቲ ጠቂሱ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%83%E1%88%89-%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%88%95%E1%88%89-%E1%8A%A0%E1%88%9D%E1%8A%90%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%8A%93%E1%88%BD%E1%8A%93%E1%88%8D-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%91-\/5771806.html"} {"headline":"25 ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ንክኣትው ተፈቂዱሎም","content":"ትካላት ሕቡራት ሃገራት፣ ን25 ሰራሕተኛታቶም ናብ ክልል ትግራይ ንክኣትው ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተፈቀደለን ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። እዚ ዳሕረዋይ ፈቃድ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ዝኣትው ሰራሕተኛታት ረድኤት፣ ኣብ ትግራይ ኣገዳሲ ኮይኑ ንዘሎ ረድኤት ብዝሰለጠ ኣገባብ ንክዕደል ከምዝሕግዙ’ውን ስቴፈን ያሪክ ጠቂሱ። እቲ ወሃቢ ቃል ከም ሓላፊ ድሕነትን ጸጥታን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ጊልስ ሚካድ፣ ኮምሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ፍሊፖ ግራንዴን ዳይረክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዴቪድ ቢዝልይ ዝበሉ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ሕቡራት ሃገራት፣ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተዘራረቡ ሓቢሩ። ሚስተር ቢዝልይ \"ፕሮግራም መግቢ ዓለም፣ ኣብ ክልል ትግራይ ኣትዩ ንኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ረድኤት ንክዕድል ተሰማሚዑ ኣሎ\" ኢሎም። እንተኾነ ኢሎም ንሶም \"ፈቃድ ምርካብ ሓደ ነገር ኮይኑ፣ ህዝቢ ብኣዝዩ ዝተወሰነ ዓቅሚ፣ ንሰለስተ ኣዋርሕ ተጸጊሙ ድሕሪ ምጽናሕ ኩነተ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣዝዩ ኣሻቃሊ ኮይኑ ኣሎ\" ኢሎም። ዜና ሕቡራት ሃገራት \"ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት፣ ከበድቲ መግሃስቲታት ሎሚ’ውን ይፍጸም ኣሎ ዝብሉ ሪፖርታት ይበጽሑና ስለዘለው ዝያዳ ኣተሓሳሲቡና ኣሎ\" እውን ይብል ። ሕቡራት ሃገራት፣ ናብ ሙሉእ ትግራይ ዘይተደረተ ፈቃድ ንትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ንክዋሃብን፣ ኩሎም ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ብቅልጡፍ ክነርክበሎም ኣለና ኢሉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%A8%E1%8B%B5%E1%8A%A4%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%89%82%E1%8B%B1%E1%88%8E%E1%88%9D-\/5771791.html"} {"headline":"ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ክታበት እንስሳታት ይህብ ከምዘሎ ገሊጹ","content":"ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ሕማማት እንስሳታት ንምክልኻልን ንምቁጽጻርን ንልዕሊ 2.5 ሚልየን እንስሳታት ነጻ ግዱድ ክታበት ከምዝሃበ ገሊጹ። ብባክተሪያ ዝመጽእን ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ዝመሓላለፍን ሕማም ምቑላዕ ኣብ ገለ ከባቢታት ኤርትራ ብምርኣዩ ኣብ ኩለን ዞባታት ኣንጻር ናይ’ዚ ሕማም ክታበት ይወሃብ ከምዘሎ ኣብ’ቲ ሚኒስትሪ ሓላፊ ጨንፈር ሓለዋ እንስሳን ቡቕልን ዶ\/ር ዮናስ ወልዱ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም ።ዛጊት ልዕሊ 10 ሽሕ ቅምሶታት ካብ እንስሳታት ተወሲዱ መጽናዕቲ ይካየድ ከምዘ’ሎ ዝሓበረ ዶ\/ር ዮናስ፡ንልዕሊ 52 ሽሕ ዋና ዘለወን ኣኽላባት ጸረ- ሕማም ዕቡድ ከልቢ ክታበት ከምዝተውሃበ ወሲኹ ኣረዲኡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%88%95%E1%88%AD%E1%88%BB-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%AD%E1%89%B3%E1%89%A0%E1%89%B5-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%88%B3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%88%85%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5770318.html"} {"headline":"ፕረ.ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ከተማ መቐለ ዑደት ብምክያድ ምስ ዓበይቲ ዓዲ ናይታ ከተማ ዘቲየን","content":"ናይ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ዑደት ብምክያድ ምስ ዓበይቲ ዓዲ ናይታ ከተማ ዘቲየን። ብቅድሚ ትማሊ ድማ ዳይሬክተር ውድብ መግቢ ዓለም ዴቪድ ቢዝሊ ኣብታ ከተማ ተረኺቦም ነይሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%88%B3%E1%88%85%E1%88%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%85-%E1%8B%98%E1%8B%8D%E1%8B%B4-%E1%89%B5%E1%88%9B%E1%88%8A-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8B%AB%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%93%E1%89%A0%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%8B%93%E1%8B%B2-%E1%8A%93%E1%8B%AD%E1%89%B3-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8B%98%E1%89%B2%E1%8B%A8%E1%8A%95\/5770310.html"} {"headline":"ፍልይቲ ኣማኻሪት ምክልኻል ምጽናት ዓሌት ሕ\/ሃ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ግጭትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘሻቅላ ሓቢራ","content":"ኣብ ሕቡራት ሃገራት ፍልይቲ ኣማኻሪት ምክልኻል ምጽናት ዘርኢ ሚስ ኣሊስ ዋይሪሙ ንደሪቱ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝርአይ ዝበለቶ ምንሃር ዓሌታዊ ግጭትን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ክልል ትግራይ ኣሎ ብዛዕባ ዝብሃል ከቢድ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ከምዝተሻቐለት ገሊጻ። ንሳቶም'ውን ብሃውሪ ምቕታል፡ጾታዊ በደል፡ዘረፋ ንብረት፡ ጃምላዊ መቕተልቲ፡ ከምኡ'ውን ምትዕንቓፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘጠቓልል ሚስ ንድሪቱ ገሊጻ። እታ ፍልይቲ ኣማኻሪት ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ኽልል ሕግን ስርዓትን ከምዝኽበር ክገብርን፡ ከበድቲ ምግሃሳት ሰብኣዊ መሰላት ብናጻ ወገን ክጻረዩን ጸዊዓ። ብዓሌቶምን ሃይማኖቶምን መጥቃዕቲ ዝወርዶም ከም ኦሮሞ: ትግራይ: ኣምሓራ ሶማሌ ዝበሉ ከምዘለዉ ዝጠቐሰት ምስ ንድሪቱ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ሱር ጸገማት ኣላልዩ ናይ ጽልኢ ዘረባታት ተወጊዱ ናብ ሃገራዊ ሓድነትን ዕርቅን ዝወስድ መካኒዝም ከማዕብል ጸዊዓ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%8D%E1%88%8D%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%88%9B%E1%8A%BB%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%8C%BD%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%88%AD%E1%8A%A2-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%8A%A0-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8C%8D%E1%88%85%E1%88%B0%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%BB%E1%89%85%E1%88%8B-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AB-\/5770288.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ: ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ሰብኣዊ ቅልውላው የጋጥሞም ምህላው ገሊጹ","content":"ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብታ ብግጭት ዝተሓመሰት ክልል ትግራይ ብኣሻሓት ዝቁፀሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ቅልጡፍ ሓገዝ ረድኤትን ሓለዋን የድልዮም ኣሎ ክብል ኣጠንቂቁ ። እቲ ትካል ናብቶም ስደተኛታት ንምብፃሕ መንግስቲ ንኸፍቅደሉ ከቅርቦ ዝፀንሐ ሕቶ ሕጅ'ውን ደጊሙ ከምብሓድሽ ከምዘቅረቦ ሓቢሩ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%89%85%E1%88%8D%E1%8B%8D%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8B%A8%E1%8C%8B%E1%8C%A5%E1%88%9E%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5770271.html"} {"headline":"ኢዜማ ኣብ ከተማ መቐለ ቤት ጽሕፈት ከፊቱ","content":"ውድብ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ(ኢዜማ)ኣብ ከተማ መቐለ ቤት ጽሕፈት ከፊቱ። ኣቦ መንበር`ቲ ውድብ ኣቶ የሺዋስ ኣሰፋ ንህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣለናልካ ክብሃል ይግባእ ኢሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%8B%9C%E1%88%9B-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8C%BD%E1%88%95%E1%8D%88%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%8D%8A%E1%89%B1-\/5770258.html"} {"headline":"ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ትግራይ ብዝተፈጥረ ዘሕዝን ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዝተሓሳሰቦ ገሊፁ","content":"ላዕለዋት ወኪል ምኽትል ፕሬዝዳንት ጆሴፍ ቦረል፣ኪሚሽነር ጁታ ኣርፒለይነንን ኮሚሽነር ጃነዝ ሌናርቺቺን ሎማዕንቲ ሶኑይ ብሓባር ኣብ ዘውፅእዎ ሓባራዊ መግለፂ እቲ ግጭት ካብ ዝጅመር ሰለስተ ኣዋርሕ ብዘይካ ንእሽተይ ምኽፋት ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምእታውዝለዓለ ድልየት ንምምላእ፣ሓደጋ ዓፀቦ ንምውጋድን ተወሳኺ ህይወት ከይጠፍእ ንምክልኻልን ናብ ትግራይ ምእታው ምኽልካል ቀፂሉ ኣሎ። ማእኸላይን ምዕራብን ትግራይ ብሰፊሑም ብፃሕ ኣይክኣልን፤ክልተ ናይኤርትራዊያን መዕቖቢ ስደተኛታት ማእኸላት ፈፂሙ ክብፃሕ ኣይተኽኣለን። እቲ መግለፂ ብምቕፃል ናብ ኩሉ ዝተሃሰየ ከባቢታት ትግራይን መዋስንቲ ከባቢታት ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብመትከል ገለልተኝነት፣ሰብኣዊነትን ነፃነትን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቅራብ ክፍቀድ ኣለዎ ኢሉ። ሕብረት ኣውሮፓ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ስቪላትን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስደተኛታትን ዝወሃብ ሓለዋ ዘተሓሳስብ እዩ ይብል።ይወርድ ዘሎ ጉድኣት፣ከቢድ ሰብኣዊ መሰላት፣ዓለምለኸ ሕጊ ስደተኛታትን ዓለምለኸ ሕጊ ሰብኣዊነትን ይግእሃስ ከምዘሎ ፀብፃባት ኣለው ይብል ሕብረት ኣውሮፓ። እቲ መግለፂ ብምውሳኽ ብመሰረት ዓለምለኸ ሕጊ ስደተኛ፣ሰብኣዊ መሰላትን ሕጊ ሰብኣውነትን ሓለዋ ምግባር ከምዝግባእ፣ ናይ ምምላስ ተግባር ወይ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ብሓይሊ ከይምለሱ ሓለዋ ምግባሩ ከረጋግፅ ግቡእ እዩ ይብል። ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ግጭት ትግራይ የጎሃህሩን ጭፍጨፋ ይፍፅሙን ዓሌታዊ ህውከት የጋድዱ ከም ዘለው ይግለፅ ዘለውን ወታደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወፁ ኣብ ምፅዋዕ ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ዩናይትድ ስቴርስ ተፀምቢሩ ኣሎ ይብል። ሕብረት ኣውሮፓ ንናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን ስራሕ ከምዝድግፍን ተፈፂሞም ዝብሃሉ መግሃስታትን በደላትን ሰብኣዊ መሰላትን ጥሕሰት ዓለምለኸ ሕግን ምርመራ ክቕፅል የተባብዕን ይብል።መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕብረት ኣውሮፓ ንዘቕረቦም ምኽረ ሓሳባት ክቕበሎን ነፃ ምርመራታት ብምክያድ ንዝተፈፀሙ መግሃስታትን በደላትን ምሉእ ተሓታትነት ንምርግጋፅ ኣብ ግብሪ ከምዘውዕልን ተስፋ ንገርብ ይብል መግለፂ ሕብረት ኣውሮፓ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/eu-remains-very-concerned-by-the-tragic-humanitarian-crisis-infloding-in-tigray\/5770121.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ወነንቲ 1,500 መካይን ጥርዓን ኣቅሪቦም","content":"\"ብምኽንያት ኩናት ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 1,500 መካይን ጠፊኤናና\"ብምባል ወነንቲ እተን መካይን ከምዝጠርዑ፣ ኣብ ትሕቲ ጊዚያዊ ምምሕዳር ቢሮ ኮንስትራክሽን ፣ መንገዲን መጓዓዝያን ኣፍሊጡ። እቲ ቢሮ ከምዝገለጾ \"እተን መካይን ኣብ ኢድ መከላኸሊ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሰራዊት ኤርትራን ከምኡውን ኣብ ኢድ ውልቀ ሰባት ከምዝርከባ ሓበሬታ ኣሎ\" ይብል። ነተን መካይን ንምምላስ፣ ንመከላኸሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝሓወሰ ሓይሊ ዕማም ተጣይሹ ከምዘሎ’ውን ተገሊጹ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%88%E1%8A%90%E1%8A%95%E1%89%B2-1-500-%E1%88%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8C%A5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%85%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D-\/5767135.html"} {"headline":"ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ስግኣት ጸጥታ እንተሃለወ'ዃ ተጉዓዝቲ ዓወት ዓድዋ ግን ጉዕዞኦም ከምዝቕጽሉ ይገልጹ","content":"ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ስግኣት ፀጥታ እንተሃለወ እውን ሻምናይ ተጎዓዝቲ ዓወት ዓድዋ ናይ እግሪ ጉዕዝኦም ንምዝዛም ምድላዎም ኣረጋጊፆም። 125 ተጎዓዝቲ ዝሓቖፈ ጉጅለ መበል 125 ዓወት ዓድዋ ንምክባር 9 ጥሪ ጉዕዝኦም ዝጀመሩ ናይ እግሪ ተጎዓዝቲ ኣብ ከተማ ደሴ ክኣትው ከለው ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ኣሎ። ካብቲ ካልእ እዋን ብዝተፈለየ ዓለምለኸ ጥዕናን ሃገራዊ ፀጥታን ስግኣት ኣብ ዘለዎ እዩ እዚ ናይ ሎሚ ጉዕዞ ዝካየድ ዘሎ: እዚ ግን ነቶም ተጎዓዝቲ ዘተሓሳስቦም ኣይመስልን። ካብ ኣተሓባበርቲ ሓደ ዝኾነ ያሬድ ሹመቴ እቲ ኵናት ኣብ ዝተኻየደሉ ከባቢ ዝርከቡ ወገናትና ሰብኣዊ ሓገዝ ክረኽቡ ስርሓት ክስርሑ እዮም ኢሎም።1,010 ኪሎ ሜትር ኣብ 46 መዓልታት ዝዛዘም ክኸውን ከሎ ከም ኣድላይነቱ ምስ ናይ ፀጥታን ካልኦትን ጉዳያት ብዝተኣሳሰረ ዝዕፀፉ ቦታታት ክህልው እዮም ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%B5%E1%8C%8D%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%88%83%E1%88%88%E1%8B%88-%E1%8B%83-%E1%89%B0%E1%8C%89%E1%8B%93%E1%8B%9D%E1%89%B2-%E1%8B%93%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%8B%93%E1%8B%B5%E1%8B%8B-%E1%8C%8D%E1%8A%95-%E1%8C%89%E1%8B%95%E1%8B%9E%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%95%E1%8C%BD%E1%88%89-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B9\/5767089.html"} {"headline":"መግለጺ ወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት","content":"ወሃቢ ቃል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ስቴፋን ዱጃሪክ ኣብ ክልል ትግራይ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ረድኤት ብዘይምርካቦም እቲ ኩነታት ሕዚ እውን ዝኸፍአ እዩ ኢሎም ። ንሶም ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብቲ ክልል ብፍላይ ድማ ክልተ ሲሶ ህዝቢ ኣብ ዝነበረሉ ገጠር ቁጠባዊ ምንቅስቓስ፣ ኤሌክትሪክ፣መራኸብን መሰረታዊ ቀረባትን ምትዕንቓፉ ቀፂሉ ኣሎ ኢሎም። ባንኪ ብዘይካ ኣብ ዋና ከተማ መቐለ ዕፁው ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ፤እዚ ድማ ናይ ረድኤት ትካላትን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ዝህቡ ካልኦት ኣካላትን ዕንቅፋት ኮይኑ ኣሎ ኢሎም። እቲ ኵናት ኣብ እዋን ምሕፋስ ምህርቲ ብምጅማሩ እኽሊ ከይትኣከበ ብምትራፉ ኣብ ዕዳጋ ሕፅረት መግቢ ከምዘሎ ይግለፅ ኣሎ ኢሎም። ኣስታት 80 ሚእታዊት ሆስፒታላት ናይቲ ክልል ካብ ስራሕ ወፃኢ ምዃነን ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝኣምን ወሲኾም ገሊፆም። እቶም ወሃቢ ቃል እቲ ግጭት ካብ ዝጀምር ኣስታት 1.3 ሚሊዮን ህጻናት ኣገልግሎት ትምህርቲከምዘይረኽቡን መብዛሕቲኦም ኣብያተ ትምህርቲ ድማ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ኮይኖም ኣለው ኢሎም።ቆልዑት ካብ ስድርኦም ዝተፈላለዩ ከምዘለውን ብኣስገዳድ ናይ ምምልማን ከበድቲ ክስታት ፆታዊ ዓመፅን ኣብ ፆታ መሰረት ዝገበረ ህውከትን ፀብፃባት ከምዘለው ሓቢሮም። ንሶም ወሲኾም ቀፃሊ ግጭት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምስላጥ ኣፀጋሚ ኮይኑ ኣሎ ኢሎም። ወሃቢ ቃል ዱጃሪክ ንዝተፀገሙ ህፁፅ ረድኤትን ሓለዋን ንምሃብ ዝተማልአ፣ቅልጡፍ፣ውሑስን ብዘይ ዕንቅፋት ንምእታው ክፍቀድን ፃውዒትና ይቕፅል ኢሎም። ወሃቢ ቃል ሕቡራት መንግስታት ስቴፋን ዱጃሪክ ኣብ ቀረባ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራት ናብ ኢትዮጵያ ከይዶም ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ዘካየዱዎ ፅምዶ ውፅኢት ምምፅኡ እውን ተተባቢዕና ኢሎም ኣለው ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A2-%E1%89%83%E1%88%8D-%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%8A-%E1%88%95%E1%89%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-\/5767076.html"} {"headline":"ሕቡራት ሃገራት: መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓገዝ ናብ ትግራይ ንከይኣትው  የተዓናቅፍ ኣሎ ኢሉ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ 2.3 ሚልዮን ህጹጽ ረድኤት ተጸባዪ ናብ ዝኾነ ህዝቢ ዝነብረሉን ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ዝርከብን ገጠራት ትግራይ፣ ሓገዝ ንከይኣቱ ከምዝኸልከለ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዋና ከተማ'ቲ ክልል ዝኾነት መቐለ ወትሃደራዊ ወፍሪ ድሕሪ ምፍጻሙ፣ ሰለስተ ኣዋርሕ ሓሊፉ እዩ፣ እንተኾነ ውግእ ኣብ ትግራይ ቀጺሉ ኣሎ። ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ‘ሰብኣዊ ኩነታት ኣብ ትግራይ፣ ኣሻቃሊን የንቆልቁልን ኣሎ’ ይብል። መግለጺ ሕቡራት ሃገራት ወሲኹ ‘ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ፣ ተጸባዪ ህጹጽ ሓገዝ መግቢ፣ ማይን ካልኦት ቀረባት ኮይኑ ከምዘሎ እንተኾነ ሰራሕተኛታት ረድኤት ናብ’ቲ ዝበዝሐ ተጸባዪ ዝርከቦ ርሑቅ ገጠራት ትግራይ ክኣትው ከምዘይካኣሉን ሓቢሩ። ትካላት ረድኤት ብሰንኪ ቢሮክራሲያዊ ዕንቅፋታትን ጸገም ጸጥታን ናብ’ቶም ከባቢታት ክበጽሑ ኣይካኣሉን ዝበለ ወሃቢ ቃል ኦቻ የንስ ለርክ ሰራሕተኛታት ረድኤት ናብ ትግራይ ንክኣትው ዘኽእል ፈቃድ ካብ መንግስቲ ምርካብ ከምዘይካኣለ ጠቂሱ። ንሱ ወሲኹ \"ኣዝዩ ብዙሕ ጽዕነት ሰብኣዊ ረድኤት ተቀሪቡ ኣሎ። እንተኾነ፣ ሰራሕተኛታትን ፈቃድ መእተዊን ግና ናብ’ቶም ተጸበይቲ፣ ብሕልፊ ናብ ገጠራት ትግራይ ከበጽሕ ኣይኽእልን። ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ዘይመንግስታዊ ማሕበራትን ዳርጋ ተኸልኪሎም ኣለው። ካብ ቁጽጽር መንግስቲ ወጻኢ ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት ሓገዝ ይበጽሕ የለን\" ኢሉ። ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ኣብ መግለጺኡ ንከተማ መቐለ ምስ ሽረ ኣብ ዘራኽብ ቀንዲ መንገዲ ዝተደኮኑን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ ዘለዋን ከተማታት ናብ ዘሎ ህዝቢ ረድኤት ይባጻሕ ከምዘሎ ገሊጹ። ሰለስተ ሲሶ ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝነብረሉ ገጠራት ግና ኣይበጽሓሎምን ዘሎ ኢሉ። ንሱ ወሲኹ ከም ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ኤለክትሪክ፣ ቴለኮሚኒከሽን፣ ባንኪን ነዳዲን ከምዝተቋረጸ ጠቂሱ ኣሎ። መጠን ጥምየት’ውን ይውስኽ ኣሎ ይብል። \"ኣብ ዕዳጋ ሕጽረታት እኽሊ ኣሎ፣ እቲ ውግእ ኣብ እዋን ኣዝመራ ዝኣትወሉ ምስ ምጅማሩ ተታሒዙ፣ ኣእካል ኣይተኣከበን። ምስ ትግራይ ዘራኽቡ ቀንዲ መገዲታት ሎሚ’ውን ተዓጽዮም ኣለው። ቅድሚኡ፣ ኩነተ ኮቪድ 19ን ወራር ኣንበጣን፣ ኣብ ህዝቢ ሕጽረት ዝተማለአ መግቢ ኣስዒቡ ነይሩ እዩ\" ኢሉ። ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት የንስ ላርክ፣ 70 ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ትካላት፣ ኣብ ኣዲስ አበባ ፈቃድ ሓቲቶም ንመልሲ መንግስቲ ይጽበዩ ከምዘለውን፣ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፈቃድ ምስረኸቡ ከይደንጎዩ ናብ ትግራይ ንክኣትው ቅሩባት ኮይኖም ከምዘለው ተሓቢሩ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95%E1%89%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8A%A8%E1%8B%AD%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%8D-%E1%8B%A8%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8A%93%E1%89%85%E1%8D%8D-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%8A%A2%E1%88%89-\/5767025.html"} {"headline":"ሚ\/ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ቶኒ ብሊንከን ምስ ቀ\/ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ቴሌፎን ርክብ አካይዶም","content":"ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ቶኒ ብሊንከን ሎሚ ሓሙስ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኣገዳስነት ክልቲኣዊ ዝምድና ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኢትዮጵያን ምዝርራቦም ኣፈኛ’ቲ ሚኒስትሪ ኔድ ፕራይስ ገሊጹ። ኣብቲ ርክብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ቶኒ ብሊንከን ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ሰብ ኣዊ ቅልውላው ብዓሙቕ ከምዘተሓሳሰቦም ገሊጾም። ተወሳኺ ሞት ንምክልኻል ድማ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ዝኾነ ዕንቕፋት ክባጻሕ ከምዘድልይ ምግላጾም ተሓቢሩ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ቶኒ ብሊንኪን ብዘይካዚ ኣመሪካ ኣብ መደባት ተሃድሶ ኢትዮጵያ ዘለዋ መብጽዓ ዳግማይ ኣረጋጊጾም። ሃገሮም - ኣብ መጻኢ ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ፣ ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን፣ ደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን፣ ፍትሕን ተሓታትነትን ከምኡውን ቁጠባዊ ብልጽግና ኩሎም ኢትዮጵያውያን ክትተሓጋገዝ ምዃና ምርግጋጾም እቲ ካብ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝተዋህበ ሓበሬታ ጠቒሱ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%89%B6%E1%8A%92-%E1%89%A5%E1%88%8A%E1%8A%95%E1%8A%AA%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%89%80-%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%B4%E1%88%8C%E1%8D%8E%E1%8A%95-%E1%88%AD%E1%8A%AD%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D\/5765764.html"} {"headline":"ክልል ኦሮሚያ: ንብልጽግና ፓርቲ ድጋፍ ንምርኣይ ኣብ ዝተኻየዱ ሰልፍታት፡ ጥሕሰት ሕጊ ምፍጻሙ ቦርድ ምርጫ ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ንብልጽግና ፓርቲ ድጋፍ ንምርኣይ ኣብ ዝተኻየዱ ሰልፍታት፡ ጥሕሰት ሕጊ ምፍጻሙን ንሽም ካልኦት ሕጋዊ ፓርትታት ፖለቲካ ዘጸልም መልእኽቲ ምትሕልላፉን ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ቤት ጽሕፈት ብልጽግና ፓርቲ ኦሮሚያ ብወገኑ፡ እቲ ሰልፊ ዝተዳለወ ብህዝቢ`ዩ- እቶም ዝተነቕፉ ድማ ጽንፋውያን`ዮም ይብል። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9A%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%8C%BD%E1%8C%8D%E1%8A%93-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%B5%E1%8C%8B%E1%8D%8D-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%A3%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B1-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8C%A5%E1%88%95%E1%88%B0%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%8C%BB%E1%88%99-%E1%89%A6%E1%88%AD%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5765468.html"} {"headline":"ኣብ ትግራይ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ዝተዓቖብሉ ካምፕታት እንታይ ተፈፀመ?","content":"ኤርትራዊያን ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ክበፅሑ ካብ ውግእ፣ፈተነ መጭወይቲ ካብ መጥቓዕቲ ዝተቖጥዑ ሚሊሽያታትን ብዘይካ ቆፅሊ ሞሪንጋ ዋላ ሓደ ዝብላዕ ነገር ከይሓዙ ናይ ማዕልታት እግሪ ጉዕዞ ሓሊፎም። ሕዚ እውን እንተኾነ ግን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ትግራይ ዘካይድዎ ዘለው ደማዊ ግጭት ክሳብ ዘብቅዕ ስቅያቶም ገና እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም። ኣብ መንጎ መንግስቲ ኣብይን ክልላዊ ገዛኢ ፓርቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ኣብ ሕዳር ውግእ ቅድሚ ምልዓሉ ኣስታት 100,0000 ስደተኛታት ብዓፋኒን ውልቀመላኽን ካብ እትምራሕ ሃገር ካብ ኤርትራ መፂኦም ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከቡ ኣርባዕተ መዕቖቢ ስደተኛታት ዝተመዝገቡ እዮም። ካብቶም ካምፕታት ክልቲኦም ሕፃፅን ሺመልባን ሕዚ እውን ብናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታትን መዘንኡ ኤጀንሲ ጉዳያት ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያን ክብፅሑ ኣይክኣሉን። ክፍተት ሓበሬታ ኩነታት እቶም ስደተኛታት ብዝምልከት ከቢድ ግምት ኣስዒቡ ኣሎ። ሕቡራት መንግስታት ብወታደራት ኤርትራ ዒላማ ዝተገበሩ ቕተልታትን መጭወይትንብዝምልከት ደወል ኣስሚዑ ኣሎ።ኣብቲ ግጭት ታራ ወታደራት ኤርትራ ብሰፊሕ ዝተሰነደኳ እንተኾነ ሰበስልጣን ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ኣሉ ምባሎም ቀፂሎም ኣለው። ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ንእሙናት ምንጫታት ብምጥቃስ ኣብቶም መዕቖቢ ስደተኛታት ስርቅን ፆታዊ ዓመፅን ከምዝተፈፀመ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊፁ ኣሎ። እቲ ግጭት ካብ ዝጅመር ናብ ኢትዮጵያ ንፈለማ ግዜ ዝገሹ ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ፍሊፖ ግራኒድ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማይ ዓይኒ ዑደት ፈፂሞ ኣለው።ማይ ዓይኒ ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከቡ ክልተ ካምፕታት ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት መሊሱ ክበፅሖም ካብ ዝኽኣሉ መዕቖቢ ስደተኛታት ሓደ እዩ። ሕዚ እቲ ካምፕ መንበሪ ካብ ሕፃፅ ዝመፁ ኣማእቲ ስደተኛታት እውን ኮይኑ ኣሎ።ገሊኦም ኣብ ሕፃፅ ገዲፎምዎ ዝመፁ ሰቐቐን ንAFP ተዛሪቦም ኣለው። ‘’ኣብዚ ካምፕዚ እንተደሊኻ መብዛሕቲኦም ሰባት ብዛዕባ ዝተፈፀመ ነገር ክዛረቡ ከለው ብኽያት ይጅምሩ’'ይብል ግርማይ ዝተባሃለ ስደተኛ።ግርማይ ከምቶም ካልኦት ስደተኛታት ናይ ሒነ ምፍዳይ ስጉምቲ ከይውሰዶም ብምስጋእ ሽም ኣብኦም ከይሓወሱ ዝዛረቡ ካልኦት ስደተኛታት እዩ። ‘’መሓዙትና ብህወይት ክህልው ይኽእሉ፤ሞይቶም እውን ክኾኑ ይኽእሉ።ኣይንፈልጥን’'በለ ብምቕፃል። ሓላፊ ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካላ ደተኛታት ፍሊፖ ግራንዲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይን ካልኦት ሰበስልጣን ንኤርትራዊያን ስደተኛታት ክሕልው ፀቕጢ ከምዝገበሩሎም ገሊፆም ኣለው።በቲ ግጭት ምኽኒያት ወይ ብሓይሊ ወይ ብስግኣት ፈቖዶ ዝተበተኑ ስደተኛታት ክረኽቡዎምን ድሕንነቶም ከረጋግፁን ኣተሓሳሲቦምዎም ኣለው። ናይ ትግራይ ሰብኣዊ ኩነታት ብድምር ‘’ኣዚዩ ሕማቕ እዩ’’ ክብሉ ብምድጋም ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ተፈፂሞም ዝብሃሉ መግሃስቲታት ሰብኣዊ መሰላት ግልፂ ምርመራ ከካየዱ ንሰበስልጣን ኢትዮጵያ ፃውኢት ኣህቅሪቦም ኣለው። ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረድኤት ምግቢ፣መድሓኒትን ካልኦት ቀረባትን ናብ ትግራይ ክኣቲ ብቅልጡፍ ምቕራቡ ከረጋግፅ ግራንዲ ፀዊዖኦም። ምስ ግራንዲ ናብ ትግራይ ዝተጉዓዛ ናይ ኢትዮጵያ ምንስቴር ሰላም ሙፈሪያት ካሚል ኣብቲ ክልል ቕልጡፍ ሓገዝን እግሪ ምትካልን ንዝመርሕ ግብረ ሓይሊ ይመርሓ።ትማሊ ረቡዕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ ፌደራል መንግስቲ ዓብይ መጠን ዘለዎ እኽልን ካልኦት ኣድለይቲ ቀረባትን የቕርብ ኣሎ ኢለን። ንኣዴታትን ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃንውትን ቀዳምነት ከምዝውሃብ እውን ሓቢረን።መንግስቲ ንኤጀንስታት ሕቡራት መንግስታትን ዘይመንግስታዊ ውድባትን ኣድላይ ኣቑሑትን ኣገልግሎትን ከቕርቡ የተሓባብር ኣሎ ክብላ ወሲኸን ገሊፀን። ዋና ፀሓፊ ናይ ኖርወይ ረፊጂ ካውንስል ጃን ኤግላንድ ክንድቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ግብረመልሲ ብከምዚ ዕንቅፋት ክፍጠር ልሙድ ኣይኮነን ክብሉ ዝሓለፈ ሶኑይ መረረቶም ገሊፆም ኣለው።ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳይ ወፃኢ ዲና ሙፍቲ ብቅድሚ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ውሱን ሰብኣዊ ረድኤት እዩ ዝኣቲ ዘሎ ንዝብል ዝተጋነነ እዩ ኢሎም ኣለው። ህወሓት ንናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ ንኣስታት ሰላሳ ዓመታት ዓብሊሉዎ እዩ።ኢትዮጵያን ኤርትራን ዓሰረታት ኣሽሓት ዝቐተለ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ኣ\\ፈ ናይ ዶብ ኵናት ከካይዳ ከለዋ ህወሓት ኣብ ስልጣን ነይሩ።ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራትንዕስራ ዓመታት ደውታ ኣብ ዝተፈጥረሉ እዋን እውን ዓብላሊ ነይሩ። ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ኣ\\ፈ ስልጣን ምስ ሓዙ ምስ ናይ ኤርትራ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምቅርራባ ኣበግሲኦም።እዚ ድሕሪ ሓደ ዓመት ናይ ኖብል ሰላም ሽልማት ኣርኪቡሎም። ፕሬዝዳንት ኢሳያስን ምስ ኤርትራ ንዘዳቡ ከልል ዝመርሕ ህወሓትን መሪር ፅልኦም ቀፂሉ።እዚ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ሓደጋ ልዕል ዘበለ እዩ። እቲ ውግእ ኣብ ምወዳእታ ሕዳር ኣብ ሕፃፅ ምስ በፅሐ ደገፍቲ ሚሊሽያ ህወሓት ምስ ወታደራት ኤርትራ ኣብ ዓውዲ ኵናት ንዝወረዶም ኪሳራ ብሒነ ንስደተናታት ከምዝቐተሉ ብዙሓት ስደተኛታት ንAFP ተዛሪቦም ኣለው። ኣብ ሓደ ንጉሆ እቶም ዕጡቓት ካብ ቤተ ክርስቲያን ወፃኢ ንትሽዓተ ኤርትራዊያን መናእሰይ ቀቲሎም ይብሉ። ካብ ሕፃፅ ወፃኢ ዶኪኖም ዝነበሩ ሓይልታት ደገፍቲ ህወሃት ዝጠመዩ ነበርቲ ምግቢ ከይረኽቡ ንሰሙናት ብምኽልካል ከምልጡ ንምውፃእ ዝፈተኑ ድማ ብዙሓት ተትኵሱዎም ከምዝተቐተሉ ወሲኮም ገሊፆም። ‘’ፈለማ ክንኣምን ኣይክኣልናን ምኽኒያቱ ተመሳሳሊ ቋንቋ ኢና ንዛረብ’’ይብል ግርማይ ብዛዕባ ሓይልታት ደገፍቲ ህወሓት ክዛረብ ከሎ።’'ቀደም ኣዕርኹትና ነይሮም ብሃንደበት መፂኦም ቀቲሎም’’በለ። ወታደራት ኤርትራ መግሃስቲ ፈፂሞም እዮም ይብሉ እቶም ስደተኛታት።ንዓሰረተታት ሰባት ምናልባሽ እውን ካብኡ ንላዕሊ ናብ ዘይተፈለጠ ቦታ ከምዝወሰዱዎም ወሲኾም ይሕብሩ። ‘’ወታደራት ኤርትራ ንገሊኦም ብምሓዝ ክሓቱዎም ጀሚሮም።ኣነ 26 ወይ 27 ሰባት ቆፀረ’'ኢሉ ሓደ ስደተኛ።’’ብፅባሒቱ ናብ ካሊእ ቦታ ወሲዶምዎም። ኣበይ ከምዝኣተው ኣይንፈልጥን’’ኢሉ። ብዙሓት ስደተኛታት ካብ ኤርትራ ዝተሰደዱ ብግዲ ካብ ዝውሃብ ሃገራዊ ኣገልግሎይት ንምምላጥ እዩ።ናብታ ገሊኦም ቅሉዕ ቤት ማእሰርቲ ኢሎም ዝገልፁዋ ሃገር ተመሊሶም ናብ ኣገልግሎት ክምለሱ ከይግደዱ እዮም ዝዓበየ ስግኣቶም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ መግሃስቲ ይምርምሮ ከምዘሎን ኣብ ሕፃፅ ዝነበሩ ኩሎም ናብቲ ቅድሚ ግጭት ዝነበረ በዝሒ ህዝቢ ማለት እውን ናብ ኣስታት 11,000 ዝግመት ንምምላስ ከምዝፍትን ፈፃሚ ዳይረክተር ኤጀንሲ ጉዳያት ስደተኛታትን ተመለስቲን ተስፋሁን ጎበዛይ ይገልዝቱ። ‘’ኤርትራዊያን ወታደራት ንኤርትራዊያን ስደተኛታት ወሲዶም ዝብሃል ጥሉል መርትዖ ኣይረኸብናን’’ኢሎም ተስፍኣለም ን AFP ከምዝገለፁዎ። ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ጀመሪያ ወርሒ ንሕፃፅ ተቖፃፂሮም ኣብቲ ካምፕ ንዝተረፉ ስደተኛታት ንክወፁ ኣገዲዶምዎ ይብሃል። ‘’ ክንቐትለኩም ኢና ኢሎም ኣፈራርሖምና፤ሰባት ሰጊኦም’’ ኢሉ ሕዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብን ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለየን ስደተኛ። ኣስታት 3,0000 ስደተኛታት ሕፃፅን ክብፃሕ ዘይኽእል ሽመልባን ብእግሪ ተጓዒዞም ብዘይ ማይ ቆፅሊ እናበልዑ ኣብ ክልተ ካምፕታት ኣትዮም ኣለው። ኣብ ማይ ዓይኒ ሓደሽቲ በፃሕቲ ፅሩይ ዝስተ ማይን ዝድቅስሉ ቦታ ከምዘይብሎም ይገልፁ። ዝዓበየ ስግኣቶም ግን ድሕነቶም እዩ።ሰፊሕ ናይ ፌደራል ወታደር ኣብቲ ከባቢ እንተሃለወ እውን ሚሊሽያታት ደገፍቲ ህወሓት ነቲ ካምፕ ከጥቕዑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስግኣት ኣለዎም። ‘’ኣብዚ ከመይ ገይሩ ድሕነት ክስምዐኒ፧ ይብል ካብ ብቆልዕኡ ጀሚሩ ኣብ ማይ ዓይኒ ዝነብር ናትናኤል።ኣስዕብ ኣቢሉ’’ብዙሓት ምልሺያታት ኣብዙሪያ እቲ ካምፕ ኣለው’’ይብል። ተስፋኣለም መሰረታዊ ዝኾኑ ኣገልግሎታት ኣብ ምምላእ ምዕባለ ከምዘሎ ይገልፁ። እቶም መዕቖቢ ስደተኛታት ውሑሳት እዮም ይብሉ ብምውሳኽ ‘’ዋላኳ ድሕነት ካብ ክ ውንነት ዝበዝሕ ገፁ ስምዒት እዩ።እቲ ሓቂ ካሊእ ኮይኑ ድሕነት ዘይክስምዖም ይኽእል እዩ’' ይብልይ ብምውሳኽ። እቶም ካብ ርክብ ወፃኢ ኮይኖም ዘለው ክልተ ካምፕታት ንቕድሚት ዝርአ እዩ። ናይ ሳተላይት ምስልታት ከምዘርእይዎ ንምዕናው ዝተገብረ ወፍሪ ብዝመስል ኣብ ክልቲኦም መዕቖቢ ስደተኛታት ሰፊሕ ጉድኣት ወሪዱዎም ኣሎ ብመሰረት ኣብ ብሪታኒያ ዝመደብሩ DX Open Network ዝተባሃለ ትካል። ‘’እዞም መዕቖቢ ስደተኛታት ናይ በሰብኣውነት ሓለዋ ክግበረሎም ዝግብኡኳ እንተነበሩ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ክልቲኦም ካምፕታት ኮነ ተባሂሉ ዒላማ ኮይኖም እዮም’’ ይብል እቲ ትካል ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ። ቅድሚ እቲ ግጭት መንግስቲ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ንዞም ናይ ሰሜን ካምፕታት ብምውጋድ ንቶም ስደተኛታት ናብ ካሊእ ንምግዓዝ ብግልፂ ይገልፅ ነይሩ። እቲ ትልሚ ብህወሓት ተጠሊፉ ዝበሉ ተስፍኣለም ሕዚ ግን ዳግም ክጅምር እዩ ኢሎም። ብድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/eritrean-refugees-caught-in-crossfire-of-ethiopia-tigray-war\/5765536.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ኣብ ልዕል ኤምባሲ ዓረብ ኢማራት መጥቓዕቲ ንምፍጻም ዝዓለሙ ዝበለቶም 15 ሰባት ኣብ ቐይዲ ምእታዋ ኣፍሊጣ","content":"ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤምባሲ ኢማራት ዓረብ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ውዲት ይኣልሙ ኔሮም ንዝበለቶም 15 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ከምዘእተወት ኣፍሊጣ። ሮይተርስ ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ብምጥቃስ እቲ ጉጅለ ካብ ወጻእተኛታት መምርሒ ብምቕባል`ዩ ይሰርሕ ኔሩ- ኣብቲ ስርሒት ድማ ቁጽሩ ዘይተገልጸ ብረትን ተተኮስትን ሰነዳትን ተታሒዙ ክብል ሓቢሩ`ሎ። እቲ ጉጅለ ካብ ናይ ወጻኢ ኣሸባሪ ጉጅለ ተልእኮ ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ዕንወት ከውርድ ይዳሎ ኔሩ ይብል ትካል ስለያ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶ ክህብ ዝተሓተተ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢማራት ዓረብ መልሲ ኣይሃበን-ዝብል ጸብጻብ ሮይተርስ -እቲ ጉጅለ ኣብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ኢምባሲ ኢማራት ዓረብ`ውን መጥቃዕቲ ክፍጽም መደብ ከም ዝነበሮ ንትካል ስለያ ኢትዮጵያ ዝጠቐሰ ሮይተርስ ሓቢሩ`ሎ። ኣገልግሎት ሃገራዊ ስለያ ኢትዮጵያ ብዛዕባ`ቲ ውዲት ምስ ናይ ሱዳን መዘንኡ ይሰርሕ ከምዘሎ`ውን ጠቒሱ`ሎ። ካብ ወገን ሱዳን ዛጊት ዝተረኽበ ርእይቶ የለን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8D-%E1%8A%A4%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B2-%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%88%9B%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%8C%BB%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%99-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%88%E1%89%B6%E1%88%9D-15-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%90%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8B-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A3\/5765639.html"} {"headline":"ባይቶ ጸጥታ ሕ\/ሃ ንሰብኣዊ ኩነታት ክልል ትግራይ ዝምልከት መብርሂ ከምዝረኸበ ተገሊጹ","content":"ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ረቡዕ ብዛዕባ ሰብኣዊ ኩነታት ክልል ትግራይ ካብ ጉዳይ ምውህሃድ ሰብኣዊ ረድኤት መብርሂ ከም ዝረኸበ ተገሊጹ። ነቲ ኣኼባ ዝመርሐት ናይዚ ወርሒ`ዚ ፕረዚደንት`ቲ ቤት ምኽሪ ዝኾነት ኣምባሳደር ብሪጣን ያ ባርባራ ዉድዋርድ ፡ ሃገራ ንምፍራስ መዓስከር ስደተኛታት ህጻጽን ሺመልባን ከምዝኾነነት ድሕሪ ምግላጽ ነቶም ዝተፈናቐሉ ስደተኛታት ህጹጽ ረድኤት ክግበረሎም ጸዊዓ። ኣተሓሒዛ በቲ ኩናት ንዝተጎድኡ ሲቪላት ረድኤት ምብጽሑ ከረጋግጹ ምስ ሰብኣዊ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ንሰርሕ ኣለና ኢላ። ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ዶሚኒክ ራዓብ ዝሓለፈ ጥሪ 22,2021 ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝበጽሐ ዝገለጸት ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣብ ሕ\/ሃ ፡ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል ልዕሊ $15 ሚልየን ዶላር ንኢትዮጵያ ከምዝወሃብ ምግላጹ ሓቢራ። ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም ልዕሊ 2 ሚልየን ሰባት ክበጽሖም መንገድታት ክኽፈት ብምጽዋዕ ድማ ኩሎም ወገናት ግጭት ሓዲጎም ንሓለዋ ሲቪላት ቀዳምነት ክህቡ ንጽውዕ ኢላ። ብኻልእ ወገን ፡ 2.3 ሚልየን ህዝቢ ኣብ ክልል ትግራይ ኢትዮጵያ ህይወት ኣድሕን ረድኤት የድልዮ ኣሎ ዝበለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ እቲ ቐረባት ሰብኣዊ ረድኤት ኣሎ`ዩ: ግን ንክበጽሖም ዘሎ ዕድል`ዩ ድሩት`ዩ ብምባል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ጸቕጢ ንምፍጣር ጎስጓስ ክግበር ጸዊዑ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%82-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%8A%B8%E1%89%A0-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5765480.html"} {"headline":"መግለጺ ኮሚሽነር ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኩነታት ክልል ትግራይ","content":"\"ሰብኣዊ ኩነታት ኣብ ክልል ትግራይ፣ ኣዝዩ ዘሻቅል ኮይኑ ከምዝረኸብዎ\" ኮምሽነር ኮምሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝኾኑ ፍሊፖ ግራንዴ ትማሊ ሰሉስ ገሊጾም። \"ምቁራጽ ኣገልግሎታት ቴለኮምኒከሽንን ባንክን፣ ነቲ ጸገም ከምዘጋደዶ\" ጠቂሶም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጸገም ንምቅላል ይገብሮ ኣሎ ንዝበልዎ ጻዕሪ ዝናኣዱ እቶም ኮምሽነር፣ \"ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላት ሰብኣዊ ረድኤትን ኣብ ክልል ትግራይ ንክንቀሳቀሱ ምስዝፍቀደሎም ቃንዛ ህዝቢ ንከይጋደድ ኣዝዩ ሓጋዚ ክኾን ከምዝኽእል\" ገሊጾም። እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ \"ካብ መዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽን ሽመልባን ዝተበተኑ ካብ 15 ሽሕ ክሳብ 20 ሽሕ ዝኾኑ ኤርትራዊያን ስደተኛታት፣ ጉዳዮም ቀዲሙ ክስራዕ ከምዝግባእ እቶም ኮምሽነር ኣተሓሳሲቦም’። ኮምሽነር ፍሊፖ ግራንዴ \"ብዛዕባ ክልል ትግራይ ብማሕበራዊ ሚድያታት ብዙሕ ከምዝባሃል ምስጠቀሱ ከምዚ ከምኦም ነቲ ከባቢ ዝራኣየ ግና እቲ ኩነታት ዝተሓላለኸ ከምዝኾነ ይርዳእ እዩ\" ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%90%E1%88%AD-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%89%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/5764124.html"} {"headline":"ኣብ ወረዳ ዋጀ አላማጣ መስርሕ ምምሃር ምስትምሃር ምጅማሩ ተገሊጹ","content":"ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ19ን ኵናትን ንክልተ ዓመታት ኣብ ወረዳ ዋጃ ኣላማጣ ተቛሪፁ ዝነበረ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ምጅማሩ እቲ ወረዳ ኣፍሊጡ።ድሕሪ ሰላሳ ዓመታት ንፈለማ ግዜ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ትምህርቲ ከምዝጀመረ ተፈሊጡ። ይኹን እምበር ክምሃሩ ካብ ዝግብኦም ተማሃሮ 10 ሚእታዊት ጥራይ ይመሃሩ ምህላዎም ተገሊጹ። ሓላፊ ማሕበራዊ ዘፈር ግዚያዊ ምምሕዳር ዋጃ ኣላማጣ ኣቶ ሙሉጌታ ኣስማማው ምምሃር ምስትምሃር ኣብዚ ሰሙን ክቕፅል ምስተገበረ ብ ቋንቋ አደ ናይ ምምሃር ሕቶ ብዝተወሰነ ደረጃ ተመሊሱ ኣሎ ኢሎም። ተወካሊ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ኣቶ ተካ ንጋቱ ኣብቲ ወረዳ ክምሃሩ ዝግብኦም ልዕሊ 19,000 ተማሃሮ እንተኾኑ እውን ኣብ ሓደ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርትን 14 ቀዳማይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ይመሃሩ ዘለው 1,140 ተማሃሮ እዮም ኢሎም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B3-%E1%8B%8B%E1%8C%80-%E1%8A%A0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8C%A3-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%83%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%83%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%8C%85%E1%88%9B%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5764072.html"} {"headline":"ኣቶ ጀዋር መሓመድን ኣቶ በቀለ ገርባን ዝርከብዎም እሱራት ኣብ ናይ መግቢ ምሕሳም ኣድማ ከምዘለው ተገሊጹ","content":"ኣቶ ጀዋር መሓመድ፣ኣቶ በቀለ ገርባ ከምኡ'ውን ኣባል መሪሕነት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዝኾኑ ኮሎኔል ገመቹ ኣያናን ካልኦት እሱራትን \"ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይፍፀመና ኣሎ’' ዝብሉዎ ፀገምን ፖለቲካዊ ኩነታትን ብምቅዋም ኣብ ናይ ጥምየት ኣድማ ከምዝርከቡ ተገሊፁ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ እቲ ጉዳይ ብምምርማር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ይዘራረበሉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ። እቲ ናይ ጥምየት ኣድማ ካብ ዝጅመሩ ሓደ ሰሙን ከምዘቑጸረ'ውን ተሓቢሩ'ሎ። ኣባላት ስድራ ናብ መአረሚ ማእከል ቃሊቲ መግቢ ሒዞምሎም እንተኸዱ እውን ከምዘይተቐበሉዎም ገሊፆም ኣለው። ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ዙሪያ ዞባ ኦሮሚያ ፊንፊኔ ዝተኣሰሩ ኣባላት ኣመራርሓ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ንሳልሳይ መዓልቲ ናይ ጥምየት ኣድማ የካይዱ ከምዘለው ጠበቓ ኣቶ ቱሊ በይሳ ገሊፆም። ሰበስልጣን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ናብ ቤት ማእሰርቲ ቃሊቲ ከይዶም ንእሱራት ከምዝርኣዩዎም ዝገለፁ ኣማኻሪ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣቶ ኢማድ ዓብዱልፈታህ ምስ በዓል ኣቶ ጀዋር መሓመድን ምምሕዳር ቤትማእሰርቲን ምዝርራቦም ሓቢሮም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%8C%80%E1%8B%8B%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%88%93%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%8A%95-%E1%89%A0%E1%89%80%E1%88%88-%E1%8C%88%E1%88%AD%E1%89%A3%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%8A%A5%E1%88%B1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%88%B3%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%8B%B5%E1%88%9B-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5764051.html"} {"headline":"ሚ\/ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ መተከልን ክልል ትግራይን ሰብኣዊ ሓገዝ ይበጽሕ ምህላው ገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ውግእ፣ ኣብ መተከል ድማ ብሰንኪ ዝተፈጸሙ መጥቃዕታት ንዝተጎድኡ ዜጋታት ሰብኣዊ ደገፍ ይበጽሐሎም ከምዘሎ ሚኒስትሪ ሰላም ኢትዮጵያ ገሊጹ። ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 2 ሚልዮን ዜጋታት ረድኤት ከምዘድልዮም ተገሊጹ ኣሎ። ሚኒስትር ሰላም ሙፈርያት ካሚል፣ ግብረ መልሲ ህጹጽ ጉዳይ ኮሚቴ ሚኒስትራት ብዛዕባ ተፈጺሞም ዝብሎም ስራሓት ንመሓውራት ዜና መግለጺ ሂቡ፣ ትምህርት ኣብ ዝተቋረጸሎም ከባቢታት ንምቅጻል ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢረን ኣለዋ ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%89%B0%E1%8A%A8%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%8E%E1%8B%B5%E1%8A%A1-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8B%AD%E1%89%A0%E1%8C%BD%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5764031.html"} {"headline":"ዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃ ኩነታት ክልል ትግራይ ከምዘሻቕሎም ገሊጾም","content":"ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተርዝ ኩነታት ክልል ትግራይ ኣዚዩ ከምዘሻቐሎም ገሊፆም።ወሃቢ ቃሎም ስቴፋን ዱጃሪክ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ እቶም ዋና ፀሓፊ ንኣገዳስነት ምሕዝነት መንግስቲ ኢትዮጵያን ሕቡራት ሃገራትን ብምግላፅ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኩሎም ዝተጎድኡ ሰባት ኣብታ ሃገር ብዘሎ ጉጅልኦም ክስራሕ ብርቱዕ ኣገዳስነት ከምዝህብዎ ገሊጾም ኣለው። ሰብኣዊ ኩነታት ንምምሕያሽን ኣብ ሓደጋ ንዝርከቡ ኣድላይ ሓለዋ ንምሃብን ቀፃሊ ህፁፅ ስጉምቲ ምውሳድ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ ኣለው። ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ፣ ኣብ ትሕቲ ዋና ፀሓፊ ሓላፊ ድሕንነትን ውሕስነትን ጊልስ ሚቻውድን ፈፃሚ ዳይሬክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዴቪድ ሚስለይን ሓዊሱ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘካየድዎ ኣወንታዊ ፅምዶ ብሓጎስ ከምዝተቐበሉዎ ገሊፆም። እቶም ወሃቢ ቃል እዞም ፅምዶታት እዚኦም ዝተኻየዱ ኣብ ክልል ትግራይ ኮነ ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ መነባብርኦም ንዝተመዛበሉን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ንዝርከቡ ዝተጎድኡ ሰባት ዝበጽሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ነባሪ ብዝኾነ ዘይሻራዊ መንገዲ ብዘይዕንቅፍት ክበጽሕ ዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃ ብዝገበርዎ ጻውዒት ምዃኑ እቲ መግለጺ ሓቢሩ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%8A-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%BB%E1%89%95%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/5764012.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኦሮምያ  ንቀ\/ሚ ኣብይ​ን ፓርቲ ብልጽግናን ዝድግፍ ሰልፊ ተኻይዱ​","content":" ንቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድን ፓርቲ ብልጽግናን ዝድግፉ ሰልፊታት ኣብ ከተማታት ኦሮምያ ከምዝተካየዱ ተገሊጹ። ኣብ’ቶም ሰልፊታት \"ጸላእቲ ኢትዮጵያ ዝተባሃሉ መልሲ ሂቦም ኣለው።\" እቶም ትማሊ ዝዋዓሉ ሰልፊታት፣ ኣብ ሸዋ፣ ወለጋ፣ ምዕራብ አርሲ፣ ሃረርጌ ባሌን ጂማን እዮም ተካይዶም። ኣብ ኣዳማ ናብ ሰልፊ ንዝወጹ መደረ ዘስምዑ ኣማሓዳሪ ምብራቅ ሸዋ ኣቶ ሃለካ ሲንቢሮ ብሽም ዝጠቀስዎ ባልደራስ ለእውነተኛ ዴሞክራሲ’ዩ። ሓላፊ ዘፈር ፖለቲካ’ቲ ፓርቲ ኣቶ ጌታነህ ባልቻ \"እቲ ክሲ ካብ ኢህወዴግ ዝተወረሰ ኣካይዳን ንከይዲ ፖለቲካ’ታ ሃገር ዘይጠቅምን\" ክብል ነጺግዎ ይብል ወኪልና ጀማል ሙኽታር ዝላኣኾ ሪፖርት። እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ኦነግ ኮሎኔል ገመቹ ኣያና፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይወርደና ኣሎ ንዝበልዎ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ንቤት ፍርዲ ገሊጾም። ኮሎኔል ገመቹ ዓሚ ብሽብር ተጠርጢሮም ተኣሲሮም ነይሮም፣ እንተኾነ ከይዲ ሙግት ተቋሪጹ ክፍትሑ ተገይሩ ነይሩ። እንተኾነ ድሕሪ ቅንጸላ ስነ ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳን ዝሳዓበ ዕግርግርን ተኣሲሮም እንደገና ብሽብር ተኸሲሶም ተኣሲሮም ይርከቡ። ብተመሳሳሊ፣ ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ኦነግ ኣቶ ኣብዲ ረጋሳ ቅድሚ 5 ዓመታት ምስ ህወሓት ርክብ ነይርዎም ተባሂሉ ኣብ ትሕቲ ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ጠበቀኦም ገሊጾም ይብል ሪፖርት ጸሃይ ዳምጠው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%95-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%8C%BD%E1%8C%8D%E1%8A%93%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%8B%B5%E1%8C%8D%E1%8D%8D-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1-\/5763555.html"} {"headline":"መግለጺ ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ኩነታት ክልል ትግራይ","content":"ኣብዚ እዋን'ውን ኣብ ክልል ትግራይ ሰብ ኣዊ ሓገዛት ንምብፃሕ ሙሉእ ብሙሉእ ዝተዓፅወ እዩ ዝብል ዜና ተቀባልነት ዘይብሉ እዩ ክብሉ ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ተዛሪቦም ። ​ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ህልው ኩነታት ሰብኣዊ ሓገዝ ሎሚ'ውን ኣብ ክልተ ሓሳባት ተኸፊሉ ይርከብ። ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ዲፕሎማሲያዊ ፍፃመታት ኣመልኪቶም ንጋዜጠኛታት መግለፂ ኣብ ዝሃቡሉ እዋን ካብቶም ተሳተፍቲ ዝለዓሉ ዝነበሩ ሕቶታት መብዛሕትኦም ኣብዚ ጉዳይ ዝጠመቱ ነይሮም ። ኢትዮጵያ ካብ ሓዱሽ ምምሕዳር ኣሜሪካ እትፅብዮ ሰናይ ርክብ ከምዝኾነን ነዚ ዘርኢ ፅቡቅ ጅማሮ ከምዘሎ'ውን ገሊፆም እዮም ። ናይ ሎሚ ዓመት ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ'ውን ብዋይብነር\/ ብቪድዮ ኮንፈረንስ \/ ኣቢሉ ከምዝካየድ ኣፍሊጦም እዮም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ​","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A2-%E1%89%83%E1%88%8D-%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AD-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/5763073.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኩነታት ክልል ትግራይ ናብ ንቡር ይምለስ ኣሎ ክብል ምግላጹ ተሓቢሩ","content":"ኩነታት ክልል ትግራይ ናብ ንቡር ይምለስ ምህላዉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ኣትላንቲክ ካውንስል ዝተባህለ ናይ ኣሜሪካ ቲንክ ታንክ ዘዳለዎ ናይ ኢንተርነት ዘተ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ዘተ ብሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን ዝተመርሐ ጉጅለ፡ ከምኡ ኣባላት ምምሕዳር ሓዲሽ ምምሕዳር ጆ ባይደንን ካልኦት ኣባላት ባይቶን ተረኺቦም ምንባሮም`ውን ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ`ሎ። ብኻልእ ወገን ነቲ ዘተ መበገሲ ጌሩ ዝጸብጸበ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ፡ ኣብ ዶብ-ኣልቦ ሓካይም ሓላፊ ጨንፈር ክልል ትግራይ ብምጥቃስ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ገጠራዊ ከባብታት ከጋጥም ዝኽእል ነገር የተሓሳስቦም ምህላዉ ጠቒሱ`ሎ። ዝሓለፈ ሰሙን ሓሙስ`ዩ ምኽትል ቀዳማይ ሚንስትርን ሚንስትር ጉዳያት ወጻእን ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን ዝመርሖ ጉጅለ ኣብቲ ብኣትላንቲክ ካውንስል ዝተዳለወ ዘተ ተረኺቡ ብዛዕባ ክልል ትግራይ ንዝለዓሉ ሕቶታት ብዝምልከት መብርሂ ምሃቦም ይግለጽ ኣሎ። ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ፍጹም ኣረጋ፡ ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፉ ኔሩ- ብዛዕብኡ`ውን ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዚ ይብል \"እዋናዊ ዝኾኑ ሰለስተ ዓበይቲ ጉዳያት ማለት፡ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ፡ ሓጽቢ ሕዳሰ፡ ከምኡ ድማ ምስ ሱዳን ዘሎ ጉዳይ ብዝተፈላለየ መልክዑ ዝብተኑ ጸብጻባት ስለዘለዉ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ትኽክለኛ መረዳእታን ስትራተጅን ንምግላጽ`ዩ፡ስለዚ ኣትላንቲክ ካውንስል ናብ መንግስትን ኮንግረስን ሓሳብ ዘቕርብ ትካል ከም ምዃኑ መጠን ኣብ ኣኼባ ዝተሳተፉ ትኽክለኛ ግንዛበ ንክረኽቡ ብምሕሳብ`ዩ\" ኢሉ። ኣብቲ ኣኼባ መብርሂ ዝሃቡ ኣቶ ደመቀ መኮነን፡ ኣቶ ረድዋን ሑሴን ወሃቢ ቓል-መረዳእታ ህጹጽ እዋን፡ ከምኡ ድማ ዋና ዳይሬተር ትካል ስደተኛታትን ተመለስትን ኣቶ ተስፋሁነይ ጎበዛይ ምዃኖም ከምኡ ድማ ካብ ወገን ምምሕዳር ጆ ባይደን ከምኡ ድማ ኣባላት ባይቶ ምስታፎም ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ሚንስትሪ ጉዳያትወጻኢ ተገሊጹ ኔሩ። \"ብኣጠቓላሊ ነዞም ዕዱማት ዝጋበዘ ኣትላንቲክ ካውንስል`ዩ። ካብ ወገን ኢትዮጵያ ሓለፍቲ ተዓዲሞም መብርሂ ሂቦም ኣለዉ። ብወገን ሓዲሽ ምምሕዳር ኣመሪካ ተሳቲፎም ዝነበሩ በዓል መን ምንባሮም ክፈልጥ ኣይክኣልኩን- ግን ብድምር 32 ዝኾኑ ሰባት ምስታፎም ርእየ`ለኹ።\" ንክልል ትግራይ ብዝምልከት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝለዓሉ ሕቶታትን ዝውርወሩ ክስታትን ብዝሕ ዝበሉ`ዮም። ክልል ትግራይ ወራር ዝተፈጸማ ብሰራዊት ምክልኻል`ዩ- ትሕተ- ቕርጽታት ፈሪሶም- ልዕሊ 4.5 ሚልየን ህዝቢ ህጹጽ ረድኤት የድልዮ-ነዚ ረድኤት ንምሃብ ዝደልዩ ዓለም-ለኸ ትካላት ከም ድላዮም ተንቀሳቒሶም ረድኤት ክህቡ ኣይክእሉን- በዚ ዝተላዕለ ሰብኣዊ ቅልውላው ይጋደድ ኣሎ-ንመጻኢ`ውን ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ይርከብ ዝብሉ ይርከብዎም። ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ሰራዊት ኤርትራ ተሰሊፉ- ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ቅትለት ዘረፋ ዓመጽ ከምኡ`ውን ካልኦት ኢሰብኣዊ ዝኾኑ መጥቃዕትታት ፈጺሞም ዝብል ክስታት`ውን ብትካላት ኣህጉራዊ ተማጎቲ ሰብኣዊ መሰላት ይልዓል`ዩ። ሓዲሽ ምምሕዳር ባይደን`ውን ብሚንስትሪ ወጻኢኡ ጌሩ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ክልል​ ትግራይ ክወጹ ሓቲቱ ኔሩ። ኣምባሳደር ፍጹም ኣረጋ፡ እዚእቶምን ካልኦት ሕቶታትትን ኣብቲ መብርሂ ተላዒሎም ምንባሮም ድሕሪ ምጥቃስ፡ ዝተዋህበ መብርሂ ከምዚ ክብል በብተራ የረድእ፡ \"ጽንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ብዝሃቦ ኣመራርሓ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻልና ከቢድ ጉድኣት ከምኡ`ውን ክሕደት ሃገር ፈጺሙ`ዩ። ቕትለትን ዘረፋን ምስ ፈጸሙ መንግስቲ ግብረ መልሲ ብምውሳድ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ሰሪሑ`ሎ። ኣብዚ ግልጺ ጉዳይ`ዩ ዘሎ -መን ከም ዝጀመሮ ባዕላቶም ብናቶም ሚድያ`ውን ዝገለጽዎ`ዩ። ሕጂ ንሰብኣዊ ኩነታት ብዝምልከት ዝስራሕ ዘሎ ነገራት ናይ ምርዳእ ኩነታት`ዩ ዘሎ- 92 ናይ መከፋፈሊ መደበራት ኣብቲ ክልል ዘርጊሑ መንግስቲ ናይ እኽሊ ረድኤት የቕርብ ከምዘሎ-ተወሳኺ ናይ መግብን መድሃኒትን ቀረባት ይቕርብ ምህላዉን- ዩኤስኣይዲ ዝርከቦም ዓለም-ለኸ ትካላት`ውን ይሕግዙ ከምዘለዉ- ካልኦት ክሕግዙ ዝደልዩ`ውን ምስ መንግስቲ ብምትሕብባር ክሰርሑ ከምዝኽእሉ ተቐሚጡ`ዩ ክንደይ ዝኸውን ድጋፍ ይቐርብ ምህላዉ ብዝርዝር ዝተሓበረሉ ኩነታት`ዩ ዘሎ። ኣብ ክልል ትግራይ ኣብዚ ሰዓት`ዚ ረድኤት ዘድልዮ ቁጽሪ ሰብ 4.5 ሚልየን ከምዝኾነ ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር`ቲ ኽልል ሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳያት ኣቶ ኣብርሃ ደስታ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጹ ኔሩ። ቅድሚ ትማሊ ጸብጻብ ዘውጽአ ኣሶሼይትድ ፕረስ`ውን ኣብ መንጎ መንግስትን ሰራሕተኛታት ረድኤትን ካብ ዝተገብረ ኣኼባ ሰሊኹ ዝወጸ ሓበረታ ብዝብል ኣብቲ ኽልል ብስእነት መግቢ ሰባት ክሞቱ ጀሚሮም ኣለዉ ኢሉ ኔሩ። ነቲ ቁጽሪ ብዝምልከት ኣብቲ ኣኼባ ኣትላንቲክ ካውንስል ሕቶ ቀሪቡ ምንባሩ ዝጠቐሰ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣመሪካ ፍጹም ኣረጋ፡ ንምላሽ መንግስቲከምዚ ክብል የረድእ፡\"እቲ ግጭት ቅድሚ ምጅማሩ- እቲ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ክልል ትግራይ 1.8 ሚልየን ህዝቢ ኣብ ሰፍቲ ኔት ፕሮግራም ኣትዩ ረድኤት እናተቐበለ ዝነብር ህዝቢ ኔሩ`ዩ። ግጭት ድማ ናይ መጎዓዝያን ካልእ መሳለጥያንን ስለዘተዓናቕፍ፡ ናብ 700 ሺሕ ዝኸውን ተወሳኺ ነዚ ጸገም ክቃላዕ ከምዝኸኣለ`ዩ- ስለዚ ብድምር 2.5 ሚልየን ዝኸውን ህዝቢ ግቡእ ረድኤት የድልዮ`ዩ። ካብኡ ንላዕሊ ዝኾነ ቁጽሪ ኣሎ ዝብሉ ብግምት`ዮም ዝዛረቡ። ብዙሓት ነዚ ኣሃዝ ዝህቡ ዘለዉ- ኣቲና ክንጽብጽብ ሓበረታ ክንረክብ ኣይክኣልን ይብል- ዘይሮም ድማ ቁጽሪ ይህቡ-ዝጋጮ ነገራት`ዮም ዝህቡ። ብርጉጽ ንህዝቢ ብምሕሳብ ከምኡ ይገብሩ እንተሃልዮም-ጽቡቕ`ዩ ይሓግዙ-ነቲ ህዝቢ ይሓግዝዎ- ግን ብቑጽሪ ናይ ፖለቲካ መኽሰብ ንምርካብ ዝግበሩ ነገራት ከምዘለዉ ንርኢ ኣለና ኢና። ስለዚ ትኽክለኛ መብርሂ ኢና ንሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ ንህብ ዘለና። ሕቡራት ሃገራት ድማ ብብዙሕ መንገድታት ይሕግዘና`ዩ ዘሎ።\" ብኻልእ ወገን፡ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከቡ ኣርባዕተ መዕቆቢ ስደተኛታት ኤርትራ፡ ብወታሃደራት ኤርትራ ተታሒዞም ናብ ኤርትራ ዝምለሱ ኣለዉ ዝብል ንወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ ብምጥቃስ ኣሶሸይትድ ፕረስ ጸብጺቡ ኔሩ። ኣምባሳደር ፍጹም ኣረጋ፡ ነዚ ብዝምልከት ኣብቲ ኣኼባ ኣትላንቲክ ካውንስ ዝተረኽቡ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ መብርሂ ሂቦምሉ`ዮም ይብል። ​\"ብኣጠቓላሊ ኣብ ኢትዮጵያ ሽዱሽተ መዕቆቢ ስደተኛታት ክልተ ኣብ ዓፋር ኣርባዕተ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ከምዘለዉ-ካብቶም ኣርባዕተ ድማ እቶም ክልተ ኣብ ከባቢ ዶብ እቶም ክልተ ድማ ናብ ማእከል ናብ ሽረ ከባቢ ከምዘለዉ`ዩ- ንሳቶም ድማ ኣብቲ መጀመርያ ሕጊ ናይ ምኽባር እዋን ጸገም ከምዝነበሮም`ዩ- ሕጂ ግን-ብፍላይ እቶም ናብ ማእከል ዘለዉ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘለዉ ናይ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ኣትዩ ክሳብ ዝሕግዞም መንግስቲ ኢትዮጵያ ብለቓሕ መልክዕ ዝተሓዝ ዝተፈላለየ ናይ መግቢ ቀረባት ክግበር ምጽንሑ ይፍለጥ`ዩ። እዚኣቶም ድማ ንኹሎም ክፉታት ምዃኖም- ዝሓለፈ ቀዳም`ኳ ብኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ተበጺሖም`ዮም- ስለዚ ምስዚ ብዝተሓሓዝ ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣትላንቲክ ካውንስ ዝቐርብ ሕቶታት ምላሽ ምሃብ`ዩ ኔሩ።\" ብዛዕባ ምእታው ሰራዊት ኤርትራ ናብ ኩናት ክልል ትግራይ ተደጋጊሙ ብዛዕባ ዝልዓል ድማ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣመሪካ ፍጹም ኣረጋ ከምዚ ክብል ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጹ። \"ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣለዉ ብዝብል ብተደጋጋሚ ዝግለጽ ነገር፡መንግስቲ ኤርትራ ኣይኣተኹን ኢሉ መግለጺ ሂቡ`ዩ-ካልኣይ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንወተሃደራት ኤርትራ ዕድመ ከምዘይገበረሎም-ምህላዎም`ውን ከምዘይረጋገጸ`ዩ ብተደጋጋሚ ዝንገር ዘሎ-ሓደ ግልጺ ክኸውን ዘለዎ ነገር-ነቲ ዶብ ዝሕልዉ ወተሃደራት መጥቃዕቲ ክወርዶም ከሎ-ነቲ ዶብ ዝሕሉ ማንም የለን-ሰራዊት ኢትዮጵያ ንህወሓት ዝተታሕዘ እናኣሕደገ ናብቲ ዶብ ክሳብ ዝኣቱ- ናይ ኤርትራ ሰራዊት ኣትዩ ኣይኣተወን ኢሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከረጋግጸሉ ዝኽእል መንገዲ ዘሎ ኣይመስለንን።\" ካልእ ኣበየ ቦትኡ ዝተፈጸሙ በደላት ኣለዉ-ዘረፋታት ኣለዉ ንዝብል- ኣብ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ፍጹም ኣረጋ\"ጽንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ካብ ዝነበሮ እናለቐቐ ክወጽእ ከሎ፡ 13 ሽሒ ዝኾኑ ብከቢድ ገበን ተኣሲሮም ዝነበሩ ፈቲሕዎም ስለዝኸደ-እዞም ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ከቢድ ጉድኣት ከወርዱ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ`ዩ- መንግስቲ`ውን ነዚ ምክልኻል ምስቲ ሕብረተሰብ ብምትሕብባር ስራሕ ጀሚሩ ከምዘሎ`ዩ ዝፍለጥ። ስለዚ እዚ ብዛዕባ ኤርትራ ዝብሃል ዘሎ ናይ ሓሶት ወረ እናቕረቡ ግን ከኣ ወላ ሓደ ጭብጢ ከቕርብሉ ዘይክኣልሉ ኩነታት`ዩ ዘሎ ኢሉ።\" ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%89%A1%E1%88%AD-%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%88%88%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%88%8B%E1%8C%B9-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5762695.html"} {"headline":"አምነስቲ ኢንተርናሽናል ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ሙሉእ ትግራይ ንክባጻሕ ጸዊዑ","content":"\"ናብ ኩሉ ኩርናዓት ክልል ትግራይ ብዘይደረት ሰብኣዊ ቀረባት ንክባጻሕ\" ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ። ብመሰረት ሕቡራት ሃገራት ይብል አምነስቲ \"2.3 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ክልል ትግራይ፣ ህይወት ኣድሕን ህጹጽ ሓገዝ ተጸባዪ ኮይኑ ኣሎ። እንተኾነ ብሰንኪ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ዘንበርዎ ደረትን ምጉታትን፣ ሰብኣዊ ረድኤት ይባጻሕ የለን\" ይብል። እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝሳዓበ፣ ብሰንኪ ኣብ ሞንጎ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ንክልል ትግራይ ዘማሓድር ዝነበረ ፓርቲ ህወሓትን ዝሓለፈ ሕዳር ዝተላዓለ ውግእ ከምዝኾነ’ውን አምነስቲ ጠቂሱ ኣሎ። እቲ ውግእ ሎሚ’ውን ኣብ ብርክት ዝበሉ ዞባታት ከምዝቀጸለ ኣምነስቲ ጠቂሱ ኣሎ። ጭፍጨፋ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት፣ ብኣልማማ ደብዳብ ምፍጻም፣ ከየጻረኻ ምቅታልን ስርቂን ከምዝተፈጸሙ ዝሕብሩ ሓያሎ ጭብጢታት ኣለው ዝበለ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ልዕሊ 450 ሽሕ ሰባት ካብ መነባብርኦም ከምዝተፈናቀሉ’ውን ገሊጹ። ክልል ትግራይ መጽለሊ ልዕሊ 96 ሽሕ ስደተኛታት ከምዝኾነት፣ እንተኾነ፣ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽን ሽመልባን እቲ ውግእ ካብ ዝጅምር ንደሓር ሓገዝ ምቅራብ ከምዘይተካኣለ፣ ካብ ሕጻጽ ዝሃደመ ሓደ ስደተኛ \"ንምንባር ኢልና ቆጽሊ ሸማጢጥና በሊዕና፣ ማይ ካብ ጎዳጉዲ ሰቲና ከምዝበለ\" ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሓቢሩ ኣሎ። ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብወገኖም \"ናብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝኣክል ይኣቱ የለን ዝብል መግለጺ፣ ተቀባልነት ዘይብሉ እዩ\" ኢሎም። እቶም ወሃቢ ቃል፣ ሰራዊት ዝዕጅበሉ ከባቢታት ኣሎ ከምዝበሉ’ውን ዝመጸና ዜና ጠቂሱ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A0%E1%88%9D%E1%8A%90%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%8A%93%E1%88%BD%E1%8A%93%E1%88%8D-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%A8%E1%8B%B5%E1%8A%A4%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%99%E1%88%89%E1%8A%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%89%A3%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%91\/5762694.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ መንግስታዊ ማሕለኻታትን ውግእን ኣብ ክልል ትግራይ ዕንቅፋት ኮይኑ ኣሎ ይብል","content":"ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ቀጺሉ ዘሎ ውግእን ምምሕዳራዊ ማሕለኻታትን ሕቡራት ሃገራት ናብ ትግራይ ንምእታው ዝቀረቦ ሰብኣዊ ሓገዛት ክማሓየሽ ከምዘይካኣለ ተገሊጹ። ኣብ ሙሉእ ክልል ትግራይ፣ መሰረታዊ ቀረባት መነባብሮን ገንዘብን ምርካብ ከምዘይካኣል ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ያሪክ ገሊጹ ኣሎ። ብዘይካ'ዚ፣ ሕቡራት ሃገራት ካብ ሕዳር ጀሚሩ ናብ ክልተ መዓስከራት ስደተኛታት ክኣቱ ከምዘይካኣለ፣ ጥምየት ይውስኽ ከምዘሎን ትካላት ጥዕና ሙሉእ ንሙሉእ ከምዝዓነውን ተሓቢሩ'ሎ። 80 ሚእታዊት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝነበረሉ ናይ ገጠር ከባቢታት ንምብጻሕ ከምዘይተካኣለ’ውን ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ጠቂሱ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%88%88%E1%8A%BB%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%8D%E1%8C%8D%E1%8A%A5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%95%E1%8A%95%E1%89%85%E1%8D%8B%E1%89%B5-%E1%8A%AE%E1%8B%AD%E1%8A%91-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-\/5762686.html"} {"headline":"'ሰብኣዊ ኩነታት ክልል ትግራይ ኣሻቃሊ'ዩ' ፍሊፖ ግራንዴ","content":"ኮሚሽነር ኮምሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዴ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ንመዓስከር ስደተኛታት ሓዊሱ ከምዝበጽሑን ምስ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድን ካልኦት መንግስታዊ ሰበ ስልጣንን ከምዝተዘራረቡን ተገሊጹ። ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብ ዋና መሻርኽቲ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከምዝኾነት ዝጠቀሱ እቶም ኮምሽነር፣ ንዓመታት ንሚልዮናት ስደተኛታት ዘዕቆበት ሃገር ከምዝኾነት ጠቂሶም: መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ከምዝንእዱ’ውን ጠቂሶም። ኣብ ክልል ትግራይ ዝተዓዘብዎ ሰብኣዊ ኩነታት፣ ኣዝዩ ዘሻቅል ከምዝኾነ ዝሓበሩ ኮምሽነር ፍሊፖ ግራንዴ \"ሰባት ኩሉ ዓይነት ደገፍ የድልዮም ኣሎ፣ መግቢ: መድሓኒት፣ ጽሩይ ዝስተ ማይ፣ መጽለሊ፣ ምቁራጽ ኣገልግሎታት ባንኪን ቴለፎንን ንስቃይ ህዝቢ ኣጋዲድዎ ኣሎ፣ ስለዚ ምጅማር እዞም ኣገልግሎታት ቀዲሙ ክስራዕ ዘለዎ እዩ\"ኢሎም። ብዛዕባ መዓስራት ስደተኛታት ክዛረቡ ከለው \"ዕጡቃት ናብ’ቶም መዓስከራት ከምዝኣተው፣ ቅትለት፣ ጨዊኻ ምውሳድ፣ ዝተወሰኑ ብሰራዊት ኤርትራ ተገዲዶም ንኤርትራ ከምዝተወሰዱ\"ተዛሪቦም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%BB%E1%89%83%E1%88%8A-%E1%8B%A9-%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8D%96-%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8A%95%E1%8B%B4-\/5762678.html"} {"headline":"ቦቢ ዋይን ፕሬዝዳንት ሙሰቨኒ ንዝተዓወትሉ ምርጫ ኡጋንዳ ዝምልከት ጥርዓን ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪቦም","content":"ቦቢ ዋይን ብዝብል ሽም ዝፍለጥ ናይ ኡጋንዳ መራሒ ተቓዋሚ ሮበርት ኪያጉላኒ ፕሬዝዳንት ዩዌሪ ሙሶቮኒ ዳግም ዝተመረፅሉ ናይ 14 ጥሪ ምርጫ ብምሙጋት ትማሊ ሶኑይ ጥርዓን ኣቕሪቡ።ጠብቓታት ዋይን ቤት ፍርዲ ነቲ ምርጫ ክስዕሮ ጥራሕ ከይኮነስ ንሻድሻይ ግዜ ዝሰዓሩ ሙሶቨኒ ፈፂሞም ዳግም ከይወዳደሩ ከረጋግፅ ድልየት ኣለዎም። ንመራሒ ተቓዋሚ ቦቢ ዋይን ዝውክሉ ጠበቓታት እቲ ናይ 14 ጥሪ 2021 ኣ\\ፈ ምርጫ ዋጋ ከምዘይብሉ ዘርእዩ ሰነዳት ትማሊ ሶኑይ ንጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኣቕሪቦም ኣለው። ዋና ጠበቓ መዳርድ ሰጎና ወታደራት ንናይ ምርጫ ጣቢያታት ክወሩን ኣቐዲሙ ድምፂ ዝተውሃበሉ ናይ ምርጫ ካርዲ ናብቲ መውሃቢ ድምፂ ከእትውን ተራእዮም እዮም ይብል። ፕሬዝዳንት ሙሰቨኒን ደገፍቶምን ምፍርራሕን ምጭብርባርን ንዓሰረተታት ዓመታት ናይ መዕወቲ ሜላታት ገይሮም ክጥቀምሉ ዝፀንሑ እዩ ክብሉ ይከራኸሩ። እቲ መስርሕ ምርጫ ብምሉኡ ናብ ኩነታት ሽብር ተቐይሩ ዝበሉ ንሶም ‘’ሙሰቨኒ ዝሳተፈሉ ዝኾነ ይኹን ምርጫ ሰላማዊ ምርጫ ከምዘይኸውን ንፈልጥ።እቲ ሕገ መንግስቲ ዝጠልቦ ነፃን ፍትሓውን ምርጫ ክኸውን ኣይኽእል እዩ’’ ኢሉ። ወግዓዊ ውፅኢት ምርጫከምዝሕብሮ ሙሰቨኒ 58 ሚታዊ ድምፂ ብምርካብ ንሻድሻይ ግዜ ስዒሮም ኣለው።ዋይን 35 ሚታዊ ብምርካብ ካልኣይ። ሰጎና ናይ ዋይን ሃገራዊ ናይ ሓድነት መድረኽ ፓርቲ ኣብ ሕድ ሕድ ብርኪ መስርሕ ናይቲ ምርጫ ምቕጥቃጥ ደገፍቲን ሰበስልጣን ወፍሪ ምርጫን ዋይን ሓዊሱ ፈተናታት ገጢሙዎ እዩ ኢሎም። ዋና ፀሓፊ ገዛኢ ፓርቲ ምንቅስቓስ ሃገራዊ መኸተ ጃስቲን ሉማምባ ናይ ሕጊ ሰብሙዮም ናይቲ ፓርቲ ሕፁያት ክንደይ ድምፂ ከምዝረኸቡ ንዝገለፁ ቕጥዕታት ካብ ናይ ምርጫ ጣቢያታት የረጋግፁ ኣለው ኢሎም። ‘’መረጋግፂ ቅጥዕታት ፕሬዝዳንታዊ ውፅኢት ካብ ሃገራዊ ኮሚሽን ምርጫ ረኺብና ኣለና።መልሲ ክህግብ ኢና’’ ኢሎም ሉዋምባ። ናይ ሙሰቨኒ ውፂት ኣብ ፈተና ክኣቲ እዚ ንራብዓይ ግዜ እዩ።ዋላኳ ብርክት ዝበሉ ጉድለታት እንተነበሩ እውን ነቲ ምርጫ ንምልዋጥ እኹል ብዘይምንባሩ ክልተ ክስታት ብውሳነ ቤትፍርዲ ተሳዒሮም እዮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/opposition-lawyers-asks-court-to-nullify-museveni-re-election\/5762406.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ህውሓትን ላዕለዎት ሰበስልጣንን ክሲ ከምዝምስርት ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ሕወሓትን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ከምኡ ድማ ወታሃደራዊ መኮንናት ዝነበሩ ኣብ ሓጺር ግዜ ክሲ ከም ዝምስርት ፈደራል ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ኣብ`ቲ ዘስካሕክሕ ጭፍጨፋ ማይካድራ ካብ መንጎ ዝተሳተፉ ናይ መብዛሕቲኦም መንነት ከምዝፍለጥ`ውን ተሓቢሩ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%93%E1%89%83%E1%89%A2-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A0%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%B2-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5761026.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ትግራይ ናብ ‘ንቡር ተመሊሳ' ይብል ነበርቲ ግን ኣብ ፍርሒ ከምዘለው ይገልጹ","content":"ክልል ትግራይ ናብ \"ንቡር ኩነታት ተመሊሳ\" ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰራሕተኛታት ምምሕዳር ባይደን ብውልቂ ይነግሮም ኣሎ።ሓደሽቲ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ግን ውቃዕ ዓረር ጠያይቲ ኣብ ዘለዎም ገዛውትን ፈቐዶ ከባቢታት ገጠርን ዝተሓብኡ ነበርቲ ትግራይ ኣብ ፍርሒ ከምዝርከቡ ገሊፆም።እቲ ኵናትን ሕፅረት መግቢን ዘሕደሮ ፅልዋ ገና ኣይተፈለጠን። ሓደ በዓል ስልጣን ዶብ ኣልቦ ሓካይም (Doctors Without Borders) ናይ ዝተባህለ ዓለምለኸ ትካል \"ዝለዓለ ብዝሒ ዘለዎ ህዝቢ ብሓቂ እውን ብቐታሊ ሳዕቤናት ይሳቐ ኣሎ’’ ክብሉ ኣጠንቂቖም። ሓደ ናይ ቀደም በዓልስልጣን ካብ ገጠር ክልል ትግራይ ብስልኪ ከምዝበሉዎ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዋስኑ ርሑቕ ከባቢታት ቅድሚ ምእካብ ምህርቲ ወታሃደራት ስለዘቃፀሉዎ ወይ ስለዝሰረቑዎ ጥምየት ነቲ ገባር ቆሪኑዎ ኣሎ ኢሎም። ኣብ መንጎ ሓይልታት ኢትዮጵያን ትግራይን ኣብ ሕዳር ዝጀመረ ግጭት ቀፂሉ ኣሎ።ገሊኦም ሜላታት ርክብ ተቛሪፆም ነበርቲ ዝወረደ ነገር ዝርዝር ሓበሬታ ንምሃብ ብፍርሒ ተዋሒጦም፤ዳርጋ ኩሎም ጋዜጠኛታት እውን ከይኣትው ተኸልኪሎም'ዮም።ብ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ምሟቶም ይእመን። ምኽትል ቀዳማት ሚኒስትር ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነንን መሳርሕቶምን ኣትላንቲክ ካውንስል ዝተባህለ ትካል ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብዘዳለዎ ናይ ውልቂ ኣኼባ መብርሂ ሂቦም ኔሮም።ኣብ ክልል ትግራይ 1.5 ሚሊዮን ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ረኺቦም ኣለው ኢሎም።ስደተኛታት ኤርትራ ብሕማቕ ተታሒዞም ዝብል \"ሓሶትን ፖለቲካዊ መበገሲ ዘለዎም ክስታትን’' እዮም ክብሉ ስኽፍታቶም ምግላፆም ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ሓቢሩ ኣሎ።ሰራሕተኛታት ባይደን ኣብቲ ኣኼባ ምስታፎም ፀብፃብ ፋና ሓቢሩ። ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ጎኒ ወታሃደራት ኢትዮጵያ ብምዃን ኣንፃር ሓይልታት ክልል ትግራይ ብዝተዋግኡ ወታደራት ኤርትራ ዒላማ ኮይኖም ኣለው።ምምሕዳር ባይደን እሙናት ፍፃመታት ስርቂ፣ምዕማፅ ደቂ ኣንስትዮን ካልኦት መግሃስትታትን ብምጥቃስ ኤርትራ ብዘይውዓል ሕደር ክትወፅእ ፅዕንቶ ይገብር ኣሎ። ዋላ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ቀረባ መግለፂ ከምዚ እንተበለ እውን ኣብ ቀረባ ዝተሸመ ምምሕዳር ትግራይ ግን ልዕሊ 4.5 ሚሊዮን ሰባት ህፁፁ ረድኤት ምግቢ ከምዘድልዮን ገለ ሰባት ድማ ብጥምየት ምሟት ከምዝጀመሩን ገሊፁ ኣሎ። ኣብ ትግራይ ኣተሓባብሪ ዶብ ኣልቦ ሓካይም \\Doctors Without Borders\\ Albert Vinas ዘውፅኡዎ ሓዱስ ሓበሬታ ብሰንኪ ውግእን ፍቓድ ንምርካብ ኣፀጋቢ ብምዃኑን ምእታው ኣብ ዘይክኣለሎም ‘'ኣብ ከባቢታት ገጠር ክኸውን ብዝኽእል ኣዚና ተጨኒቕና ኣለና’’ኢሎም። ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ ‘’ዓበይቲ ዓዲ ናይቲ ማሕበረሰብን ባህላዊ መራሕትን ናይዞም ከባቢታት እዚኦም እቲ ኩነታት ኣዚሕ ሕማቕ ምዃኑ ነጊሮምና እዮም’’ኢሎም ኣለው ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝወፀ ፅሑፎም። ኣብ ትግራይ ነበርቲ ስልኪ ቕፅሮም ኣብ ወረቐት እናፀሓፉ ስድርኦም ንሰሙናት ሃለዋቶም ዘይፈልጡ ክደልዩሎም ንመሳርሕቶም ከምዝሃቡዎም ኣልበርት ቪናስ ገሊፆም። ካብ መወዳእታ ታሕሳስ ጀሚሮም ንከተታማታት ዓዲግራት፣ኣክሱምን ዓድዋን ብእካላ ምስ ርኣይወን ‘’ብከቢድ ፍርሒ ኣብ ውሽጢ ገዛውቱ ዝተዓፀወ ህዝቢ ሪኢና’’ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ካብ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ሓንቲ ኣብ ዝኾነት ዓዲግራት ‘’እቲ ኩነታት ኣዚዩ ወጥሪ ዝተመልኦ፣ ሆስፒታላት ድማ ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ነይሮም ‘'ምስ በሉ ቪናስ ኣስዕብ ኣቢሎም ‘’ምግቢ የለን፣ማይ የለን፣ገንዘብ የለን።ብከቢድ ቆሲሎም ዝመፁ ሕሙማት ዝተመጣጠነ ኣመጋግባ ኣይረኽቡን’’ኢሎም። ካብ ሆስፒታላት ወፃኢ ዘለው ካብ ከተማ መቐለ ክሳብ ኣክሱም ብእናፈት ሰሜን ናብ ኤርትራ መኸዲ ማእኸላት ጥዕና 90 ምእታዊ ኣይሰርሓን ዘለዋ። ‘’ብዙሕ ቕፁሪ ዘለዎ ህዝቢ ይሳቐ እዩ ዘሎ ብሓቂ እውን ናብ ሞት ዘብፅሕ ሳዕቤናት ኣለዎ ኢሎም። ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ክታበት ስለዘይተውሃበ ኣብ ቀረባ ለበዳ ከይልዓል ንሰግእ ኢና ‘’ኢሎም ቪናስ ብምውሳኽ። ዎርልድ ፒስ ፋውንደሽን ዝተብሃለ ትካል ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዘውፅኦ ካሊእ ፅሑፍ ቅድም ክብል ላዕለዋይ ብዓልስልጣን ኢትዮጵያ ዝነበሩ ሙሉጌታ ገብረሂይወት በርሀ ካብ ገጠራት ትግራይ ንዳይረክተር ኣሌክስ ዲ ዋል ብቴሌፎን ኣብ ዝሃቡዎ ቃለ ምልልስ ።ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዋስኑ ከባቢታት ቅድሚ ምህርቲ ሓይልታት ኤርትራ ንዘራእቲ ስለዘቃፀሉዎ ወይ ስለዝሰረቑዎ ‘’ጥምየት ነቲ ገባር ይቑርኖ ኣሎ’’ ኢሎም። ‘’ኣብ ቀረባ ሰፊሕ ሰብኣዊ ቅልውላው ክንሪኢ ኢና’’ኢሎም ብምውሳኽ ሙሉጌታ ጫልቱ። ሰበስልጣን ኤርትራ ንሕቶታት ይኹን ተሳትፎ ወታደራቶም ኣይመለሱን።ኢትዮጵያ ድማ ዋላዃ መሰኻኽር ዓይኒ እተተዛረቡ ንሃለዋት ወታደራት ኤርትራ ትነፅጎ እያ ዘላ። እቲ ኵናት ቅድሚ ምጅማሩ ብሰንኪ ወራር ዕስለ ኣንበጣን ለበዳ ኮቪድ 19ን ኣብ ትግራይ ኩነታት ምግቢ ኣዚዩ ሕምቕ ነይሩ ይብሉ ኣብ ኢትዮጵያ ዳይረክተር ኦክስፋም ገዛህኝ ከበደ ገብረሃና ንAP ኣብ ዝሃብዎ ቃል። ‘’እቲ ኵናት ይካየድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዙሓት ሰባት ናብ ጫካ ሃዲሞም።ምስ ተመለሱ ግን መብዛሕቲኦም ገዛውቶም ዓንዩ ወይ ንብረቶም ተዘሪፉ’' ኢሎም ኣብ ትግራይ ዝሓሸ ተበፃሕነት ኣብ ዘለዎ ኣብ ደቡብ ትግራይ ዘሎ ምስተገምገመ።’’ካብ ዝርኣናዮ ምግቢ ኣዚዩ፣ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ’’ኢሎም ብምውሳኽ። ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ብዘይደረት ንምብፃሕ ኢትዮጵያ ክትፈቅድ ዓለምለኸ ፀቕጢ ቀፂሉ ኣሎ።ኣቶ ገዛህኝ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ቀረባ ከምዝገበሮ ካልኦት መንግስታት እውን ዝውሃብ ሓገዝ ከይሕዙ ኣጠንቂቖም ኣለው። ‘’ለገስቲ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክንደፍኦ ኢሎም ይሓስቡ ይኾኑ ነገር ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ ፈፂሙ ኢዱ ኣይህብን’’ኢሎም።’'ሰናይ ዕላምኡ’’ከምዝርድኡ ብምግላፅ ነገር ግን ‘’ሳቐ እቲ ህዝቢ እዩ’’ኢሎም። እዚ ኣብ ላዕሊ ቀሪቡ ዘሎ Associated Press ዝፀብፀቦ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተመሓላለፈ መደብና ሓላፍነቱን ሽሙን ክግለፀሉ ዘይደለየ ወታደር ኤርትራ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃቦ ቃለ ሰራዊት ኤርትራ ‘’ኣብ ከተማታት ትግራይ ንተጋሩ የድሕንን ይከላኸልን እዩ ነይሩ።እቲ ዝብሃል ዘሎ ግፍዒ ኣይፈፀመን’’ ክብል ብምግላፅ ሕዚ ኣብ መሬቱ እዩ ዘሎ ክብል ገሊፁ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-says-tigray-back-to-normalcy-but-witnesses-see-disaster\/5760853.html"} {"headline":"ሚንስትር ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ሰብኣዊ ኩነታት'ታ ሃገር ምስ ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ሕ\/ሃ ምዝታየን ተሓቢሩ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመንገዲ ሚኒስትር ሰላም ኣብታ ሃገር ንዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ ጉዳያት ንናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ሓላፊ ፊሊፖ ግራንደ መብርሂ ምውሃቡ ተገሊጹ። እቶም ኮሚሽነር ዝተሰርሑ ስርሓት ብኣካል ተረኺቦም ከምዝዕዘቡ ተሓቢሩ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AD-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8A-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B3%E1%8B%A8%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5757098.html"} {"headline":"ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ንክወጽእን ሓገዝ ናብ ህዝቢ ንክላኣኽን ዝሓተተ ሰልፊ ተጋሩን ፈተውቶምን ኣብ ዙርያ ዓለም ተካይዱ","content":"ካብ ዝተፈላለዩ ክፍለ ግዝኣታት ኣሜሪካ ዝተኣኻኸቡ ተወለድቲ ትግራይን ደገፍቶምንብወታሃደራት ኤርትራን ሓይልታት መንግስቲ ፌደራልን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ይፍፅሙ ኣለው ዝበሉዎ ጠጠው ንክብልን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ንክወፅእን ዝፅውዕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ትማሊ ረቡዕ ተካይዶም ኣለው። ኣብቲ ሰልፊ ኵናት ጠጠው ይበል፣ ወታሃደራት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ይውፅኡ፣ ንደቂ ኣንስትዮ ምዕማፅ ደው ይበል፣ጥምየት ከም ኣጽዋር ምጥቃም ጠጠው ይበል ዝብሉ ጭርሖታት የቃልሑ ነይሮም። ካብ ክልል ኦሮምያ እየ ትብል ተሊላ ዳኜ ባይሳ ትባሃል ተሳታፊት \"ኣብ’ቲ ሰልፊ ኣብ ትግራይ ይፍጸም ዘሎ፣ አብ ኦሮምያ እዩ ጀሚሩ። አብይ ኣብ ኦሮምያ ኩናት ከፊቱ እዩ። ንህዝብና ኣሲሩ፣ ቀቲሉ፣ ካብኡ ናብ ምስ ኤርትራ፣ ሕቡራት ዓረብ ኢምረትን ካልኦትን ተሓባቢሩ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ተላዒሉ ኣሎ\" ኢላ። ሮቤል ሃብቱ ዝተባሃለ ኦሮሞታይ ብወገኑ \"ብሰንኪ’ቲ ኣብ ትግራይ ይቅጽል ዘሎ ውግእ ኣስታት 4.5 ሚልዮን ህዝቢ ንጥምየት ተቃሊዑ ኣሎ። ሰራዊታት ኣብይን ኤርትራን ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ይፍጽምዎ ዘሎ፣ ሓገዝ ክቀርበሎም ኣይካኣለን፣ እዚ ጸገም’ዚ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ’ዩ ይራኣይ ዘሎ። ስለዚ ነቶም ዝተዓፈኑ፣ ድምጾም ክንኮኖም ኢና ናብ’ዚ መጺና ዘለና\"ኢሉ። ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣቶ ፍጹም ኣረጋ ብወገኖም \"ዶብና ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ይሕልው ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ሰራዊት ምኽልኻል ሃገር፣ ጽንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም፣ ከቢድ ጉድኣት አብ ልዕሊ’ቲ ሰራዊት ኣውሪዱ ከምዝበታተኖም ብናቶም ሚድያ ሰሚዕና ኢና። መንግስቲ ብወገኑ ነቲ ክሕደት ሃገር ንምቅልባስ ናይ ሕጊ ምኽባር ስጉምቲ እናወሰደ ጸኒሑ። ብዓወት ከምዝዛዘሞ ዝፍለጥ እዩ። ጥርጡራት ናብ ሕጊ ንምቅራብ ዝተጀመረ መስርሕ ቀጺሉ አሎ። ሎሚ ናታቶም ደገፍቲን ተሓባበርቲን ዝመርሕዎን ንብዙሓት ኣጋግዮም ዘካይድዎን ሰልፊ ከምዝኾነ ኢና ተረዲእና ዘለና\" ኢሎም። \"መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ተሓባቢሩ ንህዝቢ ትግራይ የሳቂ ኣሎ ዝባሃል፣ ቀዳማይ፣ መንግስቲ ኤርትራ ተሳትፎ ከምዘይነበሮ መግለጺ ሂቡሉ እዩ።ካልኣይ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዓዓቶም ዝተገብረ ዕድመ የለን። ምስ ኤርትራ ብምትሕብባር ዝተገብረ ነገር ከምዘየለ ብተደጋጋሚ ተገሊጹ እዩ\"ኢሎም። ኣሜሪካ ኣብ’ዚ ቀረባ ኣብ ዘውጸአቶ መግለጺ \"ኣብ ክልል ትግራይ ዘለው ኩሎም ወታሃደራት ኤርትራ፣ ብህጹጽ ክወጹ ኣለዎም\" ከምዝበለት ዝዝከር እዩ። ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ \"ስርቂ፣ ጾታዊ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ልዕሊ መዓስከር ስደተኛታትን ካልኦትን መግሃስታት መሰላት ከምዝተፈጸሙ ዝሕብሩ ተኣማኒ ሪፖርታት ኣለው\" ድሕሪ ምባል:እቲ ወሃቢ ቃል \"ወታሃደራት ኤርትራ፣ ንስደተኛታት፣ ካብ ትግራይ ናብ ኤርትራ ኣገዲዶም ከምዝመለስዎም ዘርእዩ ጭብጢታት ከምዘሎ\"ይጠቅስ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%8B%88%E1%8C%BD%E1%8A%A5%E1%8A%95-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%88%8B%E1%8A%A3%E1%8A%BD%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%89%B0%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%89%B0%E1%8C%8B%E1%88%A9%E1%8A%95-%E1%8D%88%E1%89%B0%E1%8B%8D%E1%89%B6%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%99%E1%88%AD%E1%8B%AB-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/5757220.html"} {"headline":"ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ንልዕሊ 3 ሚልዮን ሰባት ንምሕጋዝ 9 ቢልዮን ብር ከምዘድልዮ ኣፍሊጡ","content":"ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ንልዕሊ ሰለስተ ሚሊዮን ሰባት ሓገዝ ንምሃብ ትሽዓተ ቢሊዮን ብር ከምዘድልዮ ኣፍሊጡ።ማሕበር ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀል ን ቀይሕ ወርሕን ንተመሳሳሊ ሓገዝ ኣስታት 1.2 ቢሊዮን ብር ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ድማ ኣስታት ክልተ ቢሊዮን ብር ሓገዝ ሓቲቶም ኣለው። ማሕበር ቀይሕ መስቀል፣ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀልን ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀን ፌደረሽን ቀይሕ ወርሕን ብሓባር ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ከምዝሓበሩዎ ኣብ ኢትዮጵያ፣ሱዳንን ጅቡቲን ኣብ ቀረባ ብሰንኪ ዝተኸሰቱ ዘይምርግግኣት ይገብሩዎ ዘለው ፃዕሪ ገሊፆም ኣለው። ፕረዚደንት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣቶ ኣበራ ቶላን ኣብ ኢትዮጵያ ኣተሓባባሪት ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ካቲያ ሶሪን ኣብ ክልል ትግራይ ቀንዲ መንገድታት ስዒብካ ኣብ ዘለዋ ከተማታት ሰብኣዊ ሓገዝ ይገብሩ ከምዘለው ብምሕባር ብሰንኪ ፀጥታ ካብ መንገዲ ወፃኢ ናብ ገጠር ምብፃሕ ከምዘይክኣሉ ገሊፆም ኣለው። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%88%95-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%89%80%E1%88%8D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-3-%E1%88%9A%E1%88%8A%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%83%E1%89%A5-9-%E1%89%A2%E1%88%8A%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%AD-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%B5%E1%88%8D%E1%8B%AE-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5757178.html"} {"headline":"'ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ግጭት ንህጻናት ኣጨናቒ ኮይኑ'ሎ' ክብላ ናይ ሕ\/ሃ ትካል ህጻናት ኣድሕን ዳይረክተር ገሊጸን","content":"ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ህፃናት ኣድሕን (UNICEF ) ኣብ ክልል ትግራይ ንኣስታት 12 ሰሙናት ዝተኻየደ ግጭት ንህጻናት ኣዚዩ ኣጨናቒ ኮይኑ ኣሎ ኢሉ ኢሉ። ፈፃሚት ዳይረክተር'ቲ ትካል ሄንሪየታ ፎሬ ብዛዕባ ሰብኣዊ ኩነታት ክልል ትግራይ ኣብ ዘውፅእኦ መግለፂ \"ኣብ ትግራይ ይካየድ ዘሎ ግጭት ኣብ ልዕሊ ህፃናት ዘሕደሮ ዘሎ ፅልዋ ካብ ውሱናት ዝኾኑ መሻርኽትናን ዳህሳስ ሕቡራት ሃገራትን ዝረኸብናዮ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ እዩ’’ኢለን። \"ኣብ መላእ ክልል ትግራይ ክታበት ደው ኢሉ። ትካላት ጥዕና ሓዊሱ ናይ ስቪል መሰረተ ልምዓት ተጎዲኦም ወይ ዓኒዮም ናውቶም ተሰሪቖም’’ ዝበለ መግለፂ ሕቡራትሃገራት ትካል ህፃናት ኣድሕን ብምስዓብ\" ማይን ስርዓታት ፅርየትን ክሰርሑ ነዳዲ ዳርጋ የለን’' ኢሉ። እቲ መግለፂ ወሲኹ ድሕሪ እገዳ ኮቪድ-19 ኣብ መብዛሕቲኡ ክፋል ኢትዮጵያ ቆልዑ ናብ ቤት ትምህርቲ እንተተመለሱ እውን ኣብ ክልል ትግራይ 1.3 ሚሊዮን ቆልዑ ናብ መአዲ ትምህርቲ ኣይተመለሱን ይብል ። አላይ ዘይብሎም 300 ቆልዑ ናብ ሱዳን ምህዳሞም እውን ወሲኹ ገሊፁ።ኣብ ሽረ ብከቢድ ሕጽረት ኣመጋግባ ይሳቐዩ ዘለው ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናት ብምግላፅ ብሓፈሻ ህይወት ኣስታት 70,000 ህፃናት ኣብ ሓደጋ ምውዳቑ ገሊፁ ኣሎ። ንሰን ኣብ ኣብ መግለፂአን \"ንሕና ንፈልጦ ሓደ ነገር ተወሳኺ ሓገዝ ንምርካብ ንፅበያ ዘለና ነፍሲ ወከፍ ዕለት ናይ ህፃናት ስቓይ ተጋድድ ምዃና እዩ’’ ኢለን ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B0-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%85%E1%8C%BB%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8C%A8%E1%8A%93%E1%89%92-%E1%8A%AE%E1%8B%AD%E1%8A%91-%E1%88%8E-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8B-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%85%E1%8C%BB%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%8A%95-%E1%8B%B3%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%8A%AD%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B8%E1%8A%95\/5757079.html"} {"headline":"'ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ኣዝዩ ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ ምብፅሑን ሕ\/ሃ ነቲ ኩነታት ብዕሙቀት ተመልኪቱ ምላሽ ክህበሉ ይግባእ'ሊንዳ ቶማስ ግሪን ፊልድ","content":"ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኮይነን ዝተመዘዛ ሊንዳ ቶማስ ግሪን ፊልድ \"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ኣዝዩ ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ ምብፅሑን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኩነታት ብዕሙቀት ተመልኪቱ ምላሽ ክህበሉ ይግባእ \" ኢለን ። ንሰን ነዚ ዝበላ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ገይሮም ድሕሪ ምሕፃዮም ሹመተን ንምፅዳቅ ኣብ ዝተሰየመ ሰኔት ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ ዝቀረቡለን ሕቶታት ኣብ ዝመለሰሉ እዋን'ዩ ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8D%8D%E1%8D%80%E1%88%9D-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8C%A5%E1%88%95%E1%88%B0%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8B%9D%E1%8B%A9-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%98%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%B3%E1%88%B5%E1%89%A5-%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%8A%AA-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8D%85%E1%88%91%E1%8A%95-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%90%E1%89%B2-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%95%E1%88%99%E1%89%80%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%AA%E1%89%B1-%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%BD-%E1%8A%AD%E1%88%85%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%8B%AD%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%8A%A5-%E1%88%8A%E1%8A%95%E1%8B%B3-%E1%89%B6%E1%88%9B%E1%88%B5-%E1%8C%8D%E1%88%AA%E1%8A%95-%E1%8D%8A%E1%88%8D%E1%8B%B5\/5757035.html"} {"headline":"ባህርዳር: ኣብ ርክብ ክልላዊ መንግስታት ዘተኾረ ዘተ ተቓኒዑ","content":"ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ መንጎ ክልላዊ መንግስታት ዝነበረ ርክብ ሰብ ማእኸል ዝገበረ ዘይኮነ ኣብ መንነት ብሄር ዘተኾረ ብምዃኑ ፌደራል ስርዓት ጥዑይ ከይኸውን ገይሩዎ ክብሉ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ኣደም ፈራህ ገሊፆም። ንሶም ነዚ ዝገለፁ ሎሚ ኣብ ከተማ ባህርዳር ‘ሰናይ ጉርብትና ንብልፅግና’ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ርክብ መንግስታት ዘተኮረ ምይይጥ እዮም። ኣብቲ ኣኼባ ናይ ክልል ትግራይ ግዝያዊ ኣመሓዳሪ ዶክተር ሙሉ ነጋ ሓዊሱ ኣመሓደርትን ምኽትላትን ክልላት ኣምሓራ፣ኦሮሚያ፣ቤንሻንጉል ጉምዝ፣ጋምቤላ፣ ደቡብን ሶማሌን ተረኺቦም ኔሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%AD%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%AD%E1%8A%AD%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%89%B0%E1%8A%BE%E1%88%A8-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8A%92%E1%8B%91-\/5755576.html"} {"headline":"ሕቡራት ሃገራት ማእከላይ ባሕሪ ንዘቋርጹ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ሓገዝን ሓለዋን ክግብር ሓቲቱ","content":"ናይ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት፡ ነቶም ማእከላይ ባሕሪ ንምስጋር ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ዘለዉ ብ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ንምሕጋዝ $100 ሚልዮን ዶላር ተማሕጺኑ። ኣብ ኣፍሪቃ ዞባ ሳሕል እናኸፍአ ዝኸደ ግጭታትን ኣብ ምብራቕን ቀርኒን ኣፍሪቃ ዘሎ ሓዲሽ ምፍንቓልን፡ ብምድረበዳ ሳሃራ ዝሰግሩ ስደተኛታት ክውስኽ ጌሩ'ሎ። ብዙሓት ካብኦም ድማ ዑቕባ ንምሕታት ናብ ኢጣልያ ንክኣትዉ ኣብ ሓደገኛ ናይ ባሕሪ ጉዕዞ ይኣትዉ። ኣብ 2020 ብውሕዱ 1,064 ሰባት ኣብ ባሕሪ ሚዲተራንያን ከምዝሞቱ ወይ ከምዝጠፍኡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። ኣብ ናይ መሬት ጉዕዞ ኣብ ሰሃራ ኣስታት 1,800 ከም ዝሞቱ'ውን እቲ ትካል ይገልጽ። ብዛዕባ ዝተሰወሩ'ውን እኹል ዳታ የለን ይብል። ኣብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ ልኡኽ ኩነታት ማእከላይ ባሕሪ ቪንሰንት ኮቸተል ክዛረብ ከሎ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ጉዕዞ ዘጋጥሞም ዘስካሕክኽ ጭካነ ከምኡ ድማ ብኣሰጋገርቲ ሰባት ዘጋጥሞም በደል ከም ዘዘንትዉ ይገልጽ:\"ደቀኣንስትዮ ኣብ መንገዲ ብዙሕ ግዜ ከም ዝተዓመጻ ዝነገራና ኣለዋ። ሓደጋት መሸጣ ሰባትን ብዝበዛ ሸቕልን፡ ጾታዊ ዓመጽን ቅትለትን`ውን ኣሎ። ገለ ሰባት ኣብቲ ምድረበዳ ብዘይ መግብን ማይን ከምዝግደፉ`ውን ንሰምዕ።\" በቲ ናይ ስደተኛታት ምንቅስቓስ ካብ ዝተተንከፋ 25 ሃገራት ዝመጹ ንምሕጋዝ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሕጂ $100 ሚልየን ዶላር ይሓትት ኣሎ። ከምኡ`ውን ኣብ ሓደገኛ ጉዕዞ ባሕርን ምድረበዳን ንኸይመርጹ ዝሕግዝ`ዩ ይብል እቲ ልኡኽ ትካል ስደተኛታት። እዚ ወኪል ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት \"ነቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ደው ክነብሎ ኣይንኽእልን ንኸውን-ግን ስቕ ኢልና ክንቅበሎ የብልናን። ናብ ሊብያ ክሳብ ዝኣትዉ ወይ ኣብ ሰሃራ ክሳብ ዝበጽሑ ክንጽበ የብልናን። ናብ ገምገም ባሕሪ ከይመጹ ከለዉ ኣብ ዝሓሸ ኣገልግሎት ገንዘብ መዲብና ሓለዋ ክንገብረሎም ኣለና\" ይብል። ሃገራት ንስደተኛታት ከም ምጽንባር ስድራቤት ዝበለ ኣህጉራዊ ሕጊ ብምኽታል ውሑስ ዝኾነ መተሓላለፊ ዕድላት ክህባ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይጽውዕ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95%E1%89%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8B%E1%8B%AD-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%89%8B%E1%88%AD%E1%8C%B9-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D%E1%8A%95-%E1%88%93%E1%88%88%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%AD-%E1%88%93%E1%89%B2%E1%89%B1\/5755380.html"} {"headline":"ኣሜሪካ ‘ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ብህጹጽ ክወጽእ ኣለዎ’ ኢላ","content":"ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ናብ ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብ ዝለአኾ ኢ-ሜል \"ስርቂ፣ ጾታዊ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ልዕሊ መዓስከር ስደተኛታትን ካልኦት መግሃስታት መሰላት ከምዝተፈጸሙ ዝሕብሩ ተኣማኒ ሪፖርታት ኣለው\"ኢሉ። እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ \"ወትሃደራት ኤርትራ፣ ካብ ክልል ትግራይ ናብ ኤርትራ ንስደተኛታት ኣገዲዶም ከምዝመለስዎም ዘርእዩ ጭብጢታት ኣለው\" ይብል። እቲ ውግእ ክጅምር ከሎ፣ ንኤርትራ \"ዓቅሊ ስለዝገበረት ኢሉ\" ካብ ዘሞገሰ ምምሕዳር ትራምፕ፣ ሓድሽ መርገጺ ኣሜሪካ፣ መሰረታዊ ለውጢ ምግባሩ ሓባሪ እዩ። እዚ ናይ ሎሚ መግለጺ፣ ውግእ ትግራይ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ዝመልአሉ ጊዜ፣ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ካልኦት ተዋሳእቲን ሓድሽ ጸቅጢ የሕድር ከምዘሎ’ውን ዘርኢ እዩ። ካብ ትግራይ ኣብ’ዚ ቀረባ ዝወጹ ምስክራት ከምዝበልዎ \"ወትሃደራት ኤርትራ፣ እናሰረቁ፣ ካብ ገዛ ናብ ገዛ እናኸዱ ንመናእሰይ እንትቀትሉ፣ ካብኡ ሓሊፎም ከባቢያዊ ኣማሓደርቲ ኮይኖም ከምዝራኣዩን\" ገሊጾም። ወትሃደራት ኤርትራ ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝዋግኡን ንዝሃደሙ መራሕቲ ክልል ትግራይ ይሃድኑ ከምዝጸንሑን’ውን እቲ ዜና ይሕብር። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ህላዌ ወትሃደራት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ ኣይቅበሎን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%A5%E1%88%85%E1%8C%B9%E1%8C%BD-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%8B%88%E1%8C%B9-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%93\/5753999.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ ኣኽሱም እንታይ ተፈፀመ? ካብ ኣንደበት ስድራ ግዳያትን መሰኻኽርን","content":"ኣብ ኣክሱም 19ን 20ን ሕዳር 2013 ዓ\\ም ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ጭፍጨፋ ከምዝተፈፀመ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ኣባላት ስድርኦም ዝተቐተሉዎምን ይገልፁ። ኣመንስቲ ኢንተርናሽናል እውን ኣብ ኣክሱምን ካልኦት ከባቢታት ትግራይን ቅትለት ምፍፃሙ ብዝምልከት ሓበሬታ ከምዝበፅሖ ገሊፁ ኣሎ። ኣብ ትግራይ ኵናት ካብ ዝጅምር ልዕሊ 80 ማዕልታት ኣቑፅሪ ኣሎ። ብሰንኪ እዚ ህይወት ብዙሓት ሰባት ጠፊኡ፣ ማእለያ ዘይብሉ ንብረት ዓኒዩ ከቢድ ዓፀቦ ኣንፀላሊዩ፣ ሰባት ብጥምየትሙማት ምጅማሮም ሰበስልጣን ክልል ትግራይ ከይተረፈ የረጋግፁ ኣለው። ነበርትን ዓለምለኸ ማዕኸናት ዜናን ደቂ ኣንስትዮ ፆታዊ ዓመፅ ይፍፀም ከምዘሎ ይገልፁ ኣለው። ሕቡራት መንግስታት ብወገኑ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ይፍፀም ዘሎ ፆታዊ ጥቅዓት ከምዘሻቐሎ ገሊፁ ኣሎ። መሰኻኽር ዓይኒን ስድራ ግዳያትን ወታደራት ኤርትራ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ንኽትግለፆ ዘፀግም ዝበሉዎ ጭፍጨፋ ከምዝተፈፀመ ይገልፁ። መብርሂት ፍፁም 28 ዓመት ዝዕድሚኡ ዓብይ ሓወይ ተኽላይ ፍፁምን ወዲ 13 ዓመት ንእሽተይ ሓወይ ክብሮም ፍፁምን ኣብ ገዝኦም ከለው ተረሺኖምኒ፣ ኣብ ከቢድ ሓዘን'የ ዝርከብ' ትብል። ተኽላይ ፍፁምን ክብሮም ፍፁምን ናይ ቀረባ ኣዝማዱ ምዃኖም ዝገለፀ ጉዕሽ ልሳነወርቅ ብወገኑ '78 ዓመት ዝዕድሚኦም ወላዲኡ ኣቶ ልሳነ ወርቅ ለኣከ፣ ወዲ 17 ዓመት ንእሽተይ ሓው ቢኒያም ልሳነወርቅ፣ 34 ዓመት ዝዕድሚኡ ስብኣይ ሓፍቱ መምህር ግርማይ ተኽላይን ኣብ ቅድሚ ናይ ኣርባዕተ ማዓልታት ሓራስ ብዓልቲ ቤቱ ንመምህር ግርማይን ወላዲቱ ንጉዕሽን ኣብ ውሽጢ ቤቶም ብወትሃደራት ኤርትራ ከምዝቐተሉዎም' ይገልፅ። ኣብ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት Amnesty International ንጉዳይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘፅንዑ ኣቶ ፍስሃ ተኽሌ ኣብ ከተማወታደራት ኤርትራ ኣብ ከተማ ኣክሱም ንመናእሰይ ምቕታሎም ሓበሬታ በፂሑና ኣሎ ኢሎም።ኣብ ኣክሱም ይኹን ኣብ ካሎት ከባቢታት ይፍፀሙ ኣለው ዝብሃሉ ቅትለታትን መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ንምምርማር ንመንግስቲ ኢትዮጵያ መእተዊ ፍቓድ ሓቲትና ኣብ ምፅባይ ንርከብ ኣለና ኢሎም። ካብ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ፌደራል መንግስትን ሪኢቶ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰለጠን። እቲ ቅትለት ብዝምልከት ብኻሊእ ነፃ ወገን ኣይተረጋገፀን። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ሓደ መነቱ ክዕቀበሉ ዝደለየ ኣባል ሰራዊት ኤርትራ ንመሳርሕትና ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃለ ምልልስ 'ኣብ ከተማታት ኣኽሱን ካልኦት ከተማታትን ኣብ ዝኣተናሉ እዋን ንተጋሩ ነድሕን ነይርና እምበር ኣይቀተልናን' ኢሉ። ነቲ ቅትለት ብዓይኑ ዝርኣየን፣ ኣብ ኣክሱም በፂሓ ንዝተመለሰት ምስክር'ውን ኣዘራሪብና ኣለና። ዝርዝሩ ብድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/according-eyewitnesses-family-of-victims-and-survior-many-people-were-killed-in-the-ancient-city-of-axum\/5754000.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ተቛሪጹ ዝነበረ መስመር ቴሌፎን ከምዝተዓረየ፡ኣካያዲት ስራሕ ኢትዮ-ቴሌኮም ሓቢራ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ተቛሪጹ ዝነበረ መስመር ቴሌፎን ከምዝተዓረየ፡ኣካያዲት ስራሕ ኢትዮ-ቴሌኮም ፍረሂወት ታምሩ ንሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ሓቢራ። እቲ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ተቛሪጹ ዝነበረ መስመር ተዓርዩ`ሎ ዝበለት ፍረሂወት፡ ጠንቂ ናይቲ ምቁራጽ ኣብ መቐለ ዘሎ ፋይበር ኦፕቲክ ተጎዲኡ ስለዝጸንሐ`ዩ ኢላ። ይኹን`ምበር ሕጂ`ውን ኣብ ምሉእ ክልል ትግራይ መስመር ቴሌፎን ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ግዜ ከምዝወስድ እታ ኣካያዲት ስራሕ ኢትዮ-ቴሌኮም ሓቢራ`ላ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%89%9B%E1%88%AA%E1%8C%B9-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AD-%E1%89%B4%E1%88%8C%E1%8D%8E%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%8B%A8-%E1%8A%A3%E1%8A%AB%E1%8B%AB%E1%8B%B2%E1%89%B5-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE-%E1%89%B4%E1%88%8C%E1%8A%AE%E1%88%9D-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AB\/5753980.html"} {"headline":"ፕረ.ባይደን ንለውጢ ክሊማ ዝምልከት ብርክት ዝበሉ ትግባረታት ፈሪሙ","content":"ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ሎሚ ንለውጢ ክሊማ ዝምልከት ብርክት ዝበለ ትግባረታት ፈሪሙ`ሎ። ባይደን ኣብ ምክትታል ለውጢ ክሊማ ልዑል ተገዳስነት ብምርኣይ ንሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ጆን ከሪ ፍሉይ ልኡኽ ጉዳይ ለውጢ ክሊማ ጌሩ ሸይምዎ`ሎ። ባይደን ንኣሜሪካ ናብቲ ኣብ ፓሪስ ዝተኸተመ ውዕል ለውጢ ክሊማ ንምምላስ ኣብ ቀዳማይቲ መዓልቲ ስልጣኑ ፈሪሙ`ዩ። ኣብዚ ወርሒ`ዚ ስልጣኑ ዘረከበ ዶናልድ ትራምፕ ንኣሜሪካ ካብ ውዕል ፓሪስ ምውጽኡ ይዝከር። ኣብ ሳይንስ ዝተመርኮሰ ስጉምቲ ክውሰድ ዝደሊ ፕረዚደንት ባይደን ሕጂ ዝመጽእ ሚያዝያ ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ዋዕላ ለውጢ ክሊማ ክተኣናገድ ምዃኑ ኣፍሊጡ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%8B%B0%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%88%E1%8B%8D%E1%8C%A2-%E1%8A%AD%E1%88%8A%E1%88%9B-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%8A%AD%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%88%A8%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8D%88%E1%88%AA%E1%88%99\/5753973.html"} {"headline":"መግለጺ ተሰናባቲ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ሬይነር(2ይ ክፋል)","content":"ንምርጫ ወሲኽካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕጽል ኣዋርሕ ዝፍጸም ተግባራት ንዝመጽእ ወለዶ ተስፍኡ ዝውስን`ዩ ክብል ዝሰናበት ዘሎ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክ ረይነር ተዛሪቡ። ዝመጽእ ግንቦት ዝካየድ ምርጫ ዕዉት ንክኸውን ሃገሩ እትገብሮ ድጋፍ ከም እትቕጽል`ውን ኣረጋጊጹ። ዝተፈላለዩ ፈተናታት ዝገጠምዋ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ዝተራእዩ ለውጥታት ትካላዊ ንምግባር ብዙሕ ርሕቀት ምጉዓዛ`ውን ገሊጹ`ሎ። ዝሰናበት ዘሎ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ረይነር ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸነሓሉ ሰለስተ ዓመታት ዝገምገመን ተስፋን ትምኒቱን ዘንጸባረቐሉ`ዩ ኔሩ። ናብ ኢትዮጵያ ክመጽእ ከሎ ንዝነበረ ኩነታት ብምጅማር ከምዚ ይብል፡ \"ኣቐድም ኣቢለ ከምዝጠቐስክዎ ኣብዚ ምስ መጻኹ ናይ መጀመርያ ሰሙን ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣመሓዳድርኡ ናይ ምስፋሕ ኩነታት ንክበራታዕ ፈቲና ኢና። ኣብ ህዝቢ ኢትዮጵያ እምነት ንክህልዎ ከምኡ`ውን ናይ ፖለቲካ ተሳትፎን ኤኮኖሚያዊ ዕድልን ንክህቦም። ድሕሪኡ ዶ\/ር ኣቢይ ናብ ስልጣን ምስ መጸ፡ ምሉእ ንምሉእ ናይ መንግስቲ ኣንፈት ብምኽታልን ምስኡ ብምጥዕዓምን ናይ ፖለቲካ ናይ ኤኮኖሚን ፍትሕን ስርዓትን ናይ ጸጥታን መዳይ ምምሕያሻት ንምትግባር ነቲ ዝገብሮ ጻዕሪ ንምድጋፍ ስልታዊ ትልምታት ነዲፍና ብፍጥነት ተንቀሳቒስና ኢና ኢሉ ።\" ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጸ ዝተኻየዱ ናይ ምምሕያሽ ስጉምትታት ውጽኢት ከምዘምጽኡ`ዩ ማይክ ረይነር ዘብርህ። \"ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ኣገልግሎተይ ወዲአ ክኸይድ ከለኹ፡ እዛ ሃገር`ዚኣ ናይ ደሞክራሲ ተስፋን ናይ ኤኮኖሚ ዕድልን ዘለዋ ሃገር ካብ ምኳን ኣንጻር ብርክት ዝበሉ ፈተናታት እንተኣጋጠምዋ`ውን ንዕኦም ናይ ምምሕያሽ ስራሓት ትካላዊ ካብ ምግባር ኣንጻር ነዊሕ ርሕቐት ተጓዒዛ`ያ።\" ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ይርአ`ዩ ዝበሎ ምምሕያሻት ቀጻልነት ክህልዎ ከምዝግባእ`ውን ተዛሪቡ። ናይ ጸጥታ ፈተናታት ኣብ ዝፈጠጥሉ`ውን እንተኾነ ኢትዮጵያ ብመንጽር ኣተሓሕዛ ደሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን፡ ዘርኣየቶ ምምሕያሽ ቀጻልነት ክህልዎ ይግባእ ዝበለ ኣምባሳደር ረይነር፡ ኢትዮጵያ ዝጀመረቶም ቆራጽ ጻዕርታት ነበራትዕ ኢሉ። በዚ መንጽር ድማ ናይ ሃገሩ ኣሜሪካ ድጋፍ ቀጻሊ ከምዝኸውን`ዩ ተዛሪቡ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ምርጫ ዕውት መታን ክኸውን ኣሜሪካ ዝገበረቶ ድጋፍ`ውን ጠቒሱ`ሎ። \"እቲ ምርጫ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ደሞክራሲያዊ ስግግር እምኒ ኩርናዕ ጌርና ኢና ንርእዮ። ኢትዮጵያ ነቲ ምርጫ ድሕነቱ ዝተሓለወ ተኣማንነት ዘለዎ ኣሳታፊን ናይ ህዝብታት ፍቓድ ዘንጸበረቐሉን ብዝኾነ ኣገባብ ንክተካይድ ናይ ገንዘብ ድጋፍ ጌርና ኢና።ኣብዚ መስርሕ`ዚ ካብ መጀመርያ ጀሚርና ተሳትፎ ጌርና ኢና። እዚ ድማ ክሳብ 34 ሚልየን ዶላር ዝበጽሕ`ዩ ናይ ምርጫ ድጋፍና። እዚ ማለት ንተቓወምቲ ዝግበር ድጋፍ`ውን ዘጠቓለለ`ዩ። እቲ ምርጫ ውድድር ዘለዎ መታን ክኸውን።\" ኣምባሳደር ረይነር ደሞክራሲያዊ ክኸውን ዘለዎ ከምኡ`ዩ ድሕሪ ምባል ዝቕጽል ምርጫ`ውን ዕዉት ንክኸውን ኣሜሪካ ነቲ ትገብሮ ድጋፍ ዝምችእ ምዃኑ ሓቢሩ። \"ናብ ሓደ ሃገር ከይደ ንሓደ ቀ\/ሚ ወይ ሓላፊ ቦርድ ምርጫ ኣንጻርኩም ንዝወዳደሩ ፓርትታት ስልጠናን ድጋፍ ክህብ እደሊ`የ ኢለ ክሓትትን እቲ ቀዳማይ ሚንስተር በጃኻ ግበሮ ክብሉኒ ከለዉ እዚ ንዓይ ዝተለምደ ኣይኮነን- እንደልዮ ውጽኢት ግን እዚ`ዩ- ንደልዮ ደሞክራሲ እዚ`ዩ ስለዚ ብጣዕሚ ተስፋ ሂቡና`ሎ\" ኢሉ። ኣስዒቡ ኣምባሳደር ረይነር ኢትዮጵያ ደሞክራሲ ኣብ ምስፋሕ፡ኣብዚ ዓመት ፍትሓዊን ተኣማንን ምርጫ ንምክያድ ናጽነት መራኸቢ ብዙሓንን ሓሳብካ ብናጻነት ምግላጽ ወሲኽካ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ሓለዋ ብምግባር፡ ግጭታት ብምውጋድን ንናይ ብሄር ምፍጣጥ ፍታሕ ንምሃብ ከባቢያዊ ሓቢርካ ምንባር ብምቕጻልን ኤኮኖሚያዊ ዕድላት`ውን ብምስፋሕ፡ ኣብ ቀጻሊ ኣዋርሕ እተካይዶ ተግባራት ኣብታ ሃገር ንዝህሉ ቀጻሊ ወለዶ ዝውስን`ዩ ኢሉ ። ኣብ መንጎ ኣሜሪካ ን ኢትዮጵያን ዘሎ ምሕዝነት ሓይሉ ከምዝቐጸለ ዝገለጸ ተሰናባታይ ኣምባሳደር ማይክል ረይነር፡ ሃገሩ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ምስ ኢትዮጵያ ንዘለዋ ምትሕብብባር ሰለስተ ቢልየን ዶላር ወጻኢ ምግባራ`ውን ጠቒጹ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%8A%93%E1%89%A3%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B3%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9B%E1%8B%AD%E1%8A%AD%E1%88%8D-%E1%88%AC%E1%8B%AD%E1%8A%90%E1%88%AD(2%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%8D%8B%E1%88%8D\/5752834.html"} {"headline":"'ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ትካላት ሕክምና ዝተፈጸሙ ስርቂን ዕንወትን ጸገም ይፈጥር ከምዘሎ' ዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል (ICRC) ገሊጹ","content":"‘ሰብኣዊ ኩነታት ኣብ ትግራይ ኣዝዩ ኣሻቃሊ እዩ፣ ቀይሕ መስቀል ብወገኑ ብስንኪ ሕማቅ ኩነታት ጸጥታ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ትግራይ ክበጽሕ ኣይካኣለን ዘሎ’ ትብል ወሃቢት ቃል ዞባዊ ቤት ጽሕፈት ዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል። ኣልዮና ስየንኮ፣ ኣስታት 60 ሽሕ ሰባት ናብ ጎረቤት ሱዳን ተሰዲዶም ከምዘለው፣ ኣብ ውሽጢ ትግራይ’ውን ኣሻሓት ዝተመዛበልሉ ኩነታት ከምዘሎን መብዛሕተኦም ምንጪ ኣታዊኦም ከምዝሳኣኑ፣ ሓረስቶት ቅድሚ ናይ ሕርሻ ወቅቲ ካብ ከባቢኦም ከምዝተፈናቀሉን ሕጽረት መግቢ ከምዘጋጠሞምን'ውን’ ጠቂሳ። ዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ካብ ኩለን ከተማታት ትግራይ ኣብ መቀለ፣ ዓዲግራት፣ ኣክሱምን ሽረን ጥራይ ይነጥፍ ከምዘሎ ኣረጋጊጻትልና ኣላ። እተን ዝተረፋ ከተማታትን ገጸራትን ግና ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታ ክንኣትው ኣይካኣልናን፣ ምንጪ ሻቅሎት ኮይኑና’ውን ኣሎ’ ኢላ። ‘ዝተሰርቁን ጥርሖም ዝተረፉን ትካላት ጥዕና ተዓዚብና አለና። እዚ ድማ ንዓና ከቢድ ስክፍታ ፈጢሩልና እዩ። ምኽንያቱ፣ እዚ ጸገም’ዚ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣገልግሎት ይልግሱ ዘለው ሆስፒታላት ተወሳኺ ጸቅጢ እዩ ዝፈጥር’ውን’ ኢላ። ኩነታት ኣብ ትግራይ ዝሰፈሩ ኣሻሓት ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣመልኪታ ክትገልጽ ከላ ‘ኣብ ትግራይ 4 መዓስከራት ኣለዋ፣ ኣስታት 50 ሽሕ ስደተኛታት ኣለው፣ ኩነታቶም ብዝምልከት ግና፣ ብርክት ዝበሉ ምፍንቃላት ስለዝተፈጥረ፣ ሃለዋት ስደተኛታት ንጹር ኣይኮነን ዘሎ’ ኢላ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/icrc-effort-in-tigray-destruction-looting-of-health-centers-hospitals\/5751400.html"} {"headline":"መግለጺ ተሰናባቲ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ሬይነር","content":"ኢትዮጵያውያንን ዓለምለኸ ትካላትን ኣብ ክልል ትግራይ ህይወት ናይ ምድሓን ስራሕ ብዝበለጸ ንክሰርሑ ተሰናባታይ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ሬይነር ተዛሪቡ። ብኻልእ ወገን ወታሃደራት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ የሕስበና`ዩ ቀልጢፉ ከብቅዕ`ውን ጻዊዕትና ክንቅጽል ኢና ኢሉ። ኣብ ክልል ትግራይን ኣብ መተከልን ኣብ ካልኦት ቦታታትን ቅትለታት ጾታዊ ዓመጽን ካልኦት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ይፍጸሙ`ለዉ ዝብል ጭቡጥ ሪፖርትታት ብገለልተኛ ምጽራይ ክግበረሎም`ውን ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኮይኑ ዝጸንሐ ማይክል ረይነር ጸዊዑ'ሎ። ኣምባሳደር ረይነር ይኹን`ምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዘካየዶ ወታሃደራዊ ወፍሪ፡ ናይ ዝኾነ መንግስቲ መሰልን ግዴታን`ዩ ኢሉ ። ንሱ ወሲኹ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ኩናት፡ ኣብ መንጎ ናይ ሃገሩ ግዝኣታዊ ሓድነትን ድሕነት ህዝብን ናይ ምሕላው ግዴታ ዘለዎ መንግስትን፡ ዘይ-ሕጋዊ ዝኾነ ዕጥቃዊ ዓመጽን`ዩ ኢሉ`ሎ ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%8A%93%E1%89%A3%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B3%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9B%E1%8B%AD%E1%8A%AD%E1%88%8D-%E1%88%AC%E1%8B%AD%E1%8A%90%E1%88%AD-\/5750907.html"} {"headline":"ደቅና ናብ ትግራይ ክዋግኡ ተላኢኾም ክብላ ኣዴታት ወታደራት ሶማሌ ንተቓውሞ ወፂአን","content":"ወታደራት ሶማሌ ናብ ደማዊ ግጭት ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ክዋግኡ ተላኢኾም ብዝብል ክስታት ምኽኒያት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሶማሊያ ፀቕጢ እናሓየለ ምምፅኡ ተፈሊጡ።ኣዴታት ኣብ ዋና ከተማ ሞቓድሾን ካልኦት ከባቢታትን ፈለማ ንወታደራዊ ስልጠና ናብ ኤርትራ ዝተልኣኹ ደቀን ናብ ትግራይ ተላኢኾም ብዝብል ስግኣት ኩነታቶም ንምፍላጥ ብዙሕ ዘይተለምደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይደን። ንናይ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘይምርግጋእ ሓደጋ ኣብ ዝኾነን ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ትግራይ የካይዱዎ ዘለው ውግእን ክሳተፉ ደቀን ናብ ትግራይ ተወሲዶም ዝብል ስግኣት ሓዲሩወን ኣሎ እዘን ኣዴታት። መጀመሪያ ንወታደራዊ ስልጣን ናብ ኤርትራ ዝተልኣኹ ኩነታት ውላደን ብምሕታት ኣዴታት ብዙሕ ልሙድ ዘይኮነ ኣብ ዋና ከተማ ሞቓድሾን ካልኦት ከባቢታትን ተቓውሞታት ኣካይደን ኣለዋ። ‘’ወታደራዊ ስልጠና ክወስዱ ናብ ኤርትራ ዝተልኣኹ ውላዳትና ተመንጢሎም ንቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ክዋግኡ ተላኢኾም ዝብል ሰሚዐ’’ ትብል ፋጡማ ሞዓሊም ዓብዱል ኣዲኡ ንወዲ 20 ዓመት ወታደር ኣሕመድ ኢብራሂም ጁማለህ። ‘’ብመሰረት ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ ደቅና ብቐጥታ ናብ ከተማ መቐለ እዮም ተወሲዶም።እንታይ ከምዝስምዓኒ ትርዳእ ትኸውን።ንትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ከብደይ ዝፀርኩዎ ኣደ እየ፤ደመይን ስጋይን እዩ’’በለት ብምውሳኽ። ሰሙን ወታደራት ሶማሌ ኣብ ትግራይ ኣይተሳተፉን ክትብል ኢትዮጵያ ኣብዚ ነፂጋቶ ኣላ።ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣይኣትወተን ክትብል ኢትዮጵያ ኣሉ ምባላ ቀፂላትሉ ኣላ። ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ናይ ኖቤል ሽልማት ሰላም ዘርከበሎም ኣብ 2018 ኣ\\ፈ ምስ ኤርትራ ሰላም ፈጢሮም። ሕዚ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ናይ ሓባር ፀላእቶም ዝኾኑ ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምፅኦም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣስታት ሰላሳ ዓመታት ተቖፃፂሮምዎ ዝነበሩን ሕዚ ይህደኑ ዘለውን መራሕቲ ትግራይ ተሓባቢሮም ኣብቲ ግጭት ይሳተፉ ኣለው ይብሉ ነቐፈቲ። ናይ ሶማሊያ ፕሬዝዳንት ዓብዱላሂ መሓመድ ዓብዱላሂ ወታደራት ሶማሌ ኣብ ትግራት ተሳቲፎም ዝብል ክሲ ክምርምሩዎ ኣብ ፓርላማ እታ ሃገር ሓላፊ ጉዳያት ኮሚቴ ወፃኢዝኾኑ ዓምዱል ኦሶበል ዓሊ ተሓቲቶም ኣለው። ‘’መንግስትና እንታይ ይሰርሕ ከምዘሎ ናይ ምቁፅፃር መሰል ኣለና እዩ’’ ኢሎም ዓሊ ንማዕኸናት ዜና ኣብ ዝተዘርግሐ ደብዳቢኦም። ናይ ሶማሊያ እጄንሲ ስለያ ምኽትል ዳይረክተር ዝነበሩ ኢስማዒል ዳሂር ዖስማን ''እዞም ስልጠንኦም ቅድሚ ነዊሕ እዋን ክዛዘም ዝነበሮንም ወታደራት ንልዕሊ ሓደ ዓመት ንምንታይ ናብ ገዝኦም ኣይተመለሱን ዝብል ምሕታት ግቡኡ እዩ’’ኢሎም። ምንስቴር ሓበሬታ ሶማሌ ዖስማን ኣቦኮር ደደ ንስልጠና ኣብ ወፃኢ ሃገር ዘለው ወታደራት ሶማሌ ኣብ ግጭት ትግራይ ኣይተሳተፉ ክብሉ ነፂጎምዎ ኣለው። ‘’ኣብ ትግራይ ምስኦም ኮይኑ ዝዋጋእ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተሓተተ ወታደራት የለውን’' ኢሎም ብምውሳኽ። እታ ሃገር ኣብቶም ዝቕፅሉ ሰሙናት ሃገራዊ ምርጫ ንምክያድ ኣብ እትዳለወሉ እዋን ኣብ ኣዚዩ ተዃስሓይ ግዜ እዩ ወፃኡ ዘሎ እቲ ጉዳይ።ክልተ ክፍለ ግዝኣታት ኣብቲ ምርጫ ኣይንሳተፍን ኢለን ኣለዋ።እቶም ፕሬዝዳንት ብኽፋል ምርጫ ክካየድ ይደፍኡሉ ኣለው ክብል ተቓዋሚ ውድብ ይኸስስ። ተቓዋሚ ፕሬዝዳንታዊ ሕፁይ ዓብዱርሕማን ዓብዲሻኩር ምዋርሳም ‘’ወለዲ ምስ ደቆም ርክብ ከምዘይብሎምን ገሊኦም ድማ ደቆም ምሟቶም ከምዝተነገሮምን ፃውዒት የቕርቡልና እዮም ዘለው’’ኢሎም።’’ብመሰረት ንረኽቦ ዘለና ሓበሬታ እዞም ቆልዑ ናብ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ተወሲዶም ኣለው።ነፃ ሃገራዊ ኮሚሽን ነቲ ጉዳይ ክምርምሮ ንፅውዕ ኣለና’’ ኢሎም ብምውሳኽ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/in-somalia-mother-fear-sons-were-sent-to-ethiopia-conflict\/5751110.html"} {"headline":"ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ትካል ስደተኛታት ሕ\/ሃን ኣብ መዕቖቢ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ በፂሖምም","content":"ናይ ኢፌዴሪ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን UNHCRን ብሓባር ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ መዕቖቢ ስደተኛታት ኤርትራ በፂሖም።ሸፋቱ ለይቲ እናመፁ ከምዝዘርፉዎም እቶም ስደተኛታት ምዝራቦም ወኪል UNHC ክሪስ መልዘር ንቪኦኤ ገሊፆም።ስደተኛታት እናዓፈኑ ናብ ኤርትራ ይወስዱዎም ኣለው ዝብል ብደረጃ ክሲ እንተሰማዕና እውን ካብቶም ስደተኛታት መረጋገፂ ኣይረኸብናን ኢሎም።መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብታ ሃገር ካብ ዝርከቡ ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ስደተኛታት ፀገም ዘጋጠሞም ኣዚዩ ዝወሓደ ምዃኑ ብምግላፅ ንዕኦም መሰረታዊ ቀረባት ነማልአሎም ኣለና ኢሉ ኣሎ። ዳይረክተር ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደተ ተመለስትን ኣቶ ተስፋሁነኝ ጎበዛይን ኣብ ኢትዮጵያ ወኪል UNHCR ኣለን ኢኮንትር ማይ ዓይንን ዓዲ ሓሩሽን ኣብ ዝተብሃሉ ማእኸል ስደተኛታት ተረኺቦም ኣለው።ዕላማ ናይቲ ዑደት ብሰንኪ እቲ ግጭት ተቛሪፁ ዝነበረን ሕዚ ቀረብ ጀሚሩ ዝተብሃለን ኣገልጎታት ንምቕናዕ እዩ ይብል እቲ ኮምሽን ኣብ ናይ ፌስቡክ ገፁ።እቶም በፃሕቲ ዓዲ ሓሩሽ ምስ ወኪል ስደተኛታት ብምርኻብ ምዝርራቦም እውን ገሊፁ ኣሎ። ንUNHCR ብምውካል ንቪኦኤ መብርሂ ዝሃቡ ክሪስ መልዘር እቶም ስደተኛታት ድሕሪ ድጊም ሓገዝ ከምዝረኽቡ ብምርግጋፅ እንተኾነ ግን ሕዚ እውን ንማእኸላት ስደተኛታት ሺመልባን ህፃፅን ክብፃሕ ከምዘይካል ከም ስግኣት ሓቢሮም። ‘’ሕዚ ኩነታት ፅቡቕ እዩ ክብሃል ይክኣል።ምኽኒያቱ ንኽልተ ኣዋርሕ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ኣይነበረን’’ ዝበሉ ንሶም ‘’መሻርኽትና ዝኾነ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ታሕሳስ ራሽን ምግቢ ሂቡ ነይሩ ሕዚ ንኻልኣይ ግዜ ናይ ምግቢ ሓገዝ ተዋሂቡዎም ኣሎ’’ ኢሎም።ቀረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ፣ትምህርቲን ክሊኒክን ዝኣመሰሉ ትካላት ምዕፃዎምን ናብ ሰሜን ዝርከቡ ክልተ ምዕቖቢ ስደተኛታት ሽመልባን ህፃፅን ግን ዝኸፍአ ፀገም ከምዘሎ ዝበፅሑና መረዳእታት ይሕብሩ ኣለው ኢሎም። ስደተኛታት እናተዓፈኑ ናብ ኤርትራ ይውሰዱ ኣለው ዝብል ብመራኸቢ ብዙሃን ዝተፀብፀበ ሚስተር ክሪስ ነዚ ከረጋግፁዎ ከምዘይክኣሉ ንቪኦኤ ሓቢሮም።ከምዚ ተፈፂሙ እንተኾይኑ ግን ንዓለምለኸ ሕጊ ዝጥሕስ ተግባር እዩ ኢሎም ብምውሳኽ። መብዛሕቲኦም ስደተኛታት ካብ ካምፕታት ወፂኦም ንዝብሉ ፀብፃባት ሚዲያ ዝተሓተቱ ንሶም ኣብዘይበፅሑዎም ሽመልባን ህፀፅን ተፈፂሞም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ኢሎም።ዝተወሰኑ ነበርቲ ናይዚ ማእኸል ስደተኛ ናብ ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን ምምፅኦምን ኣብ ከተማ ሽረን ከባቢኡን ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ምህላዎም ምርኣዮም እውን ሓቢሮም። ለይቲ ንብረቶም ዝዘርፉዎም ዕጡቓት ምህላዎም ብምሓብር ኣብቲ ከባቢ ሓለዋ ፀጥታ ክሕይል ፀዊዖም ኣለው። ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኣቶ በኣካል ንጉሴ ትካሎም ስደተኛታት ሓገዝ ምግቢ ምቕራብ ካብ ዝጅመር ካልኣይ ወርሑከምዝገበረ ሓቢሮም። ኣብ ዓዲ ሓሩሽን ማይ ዓይንን ንስደተኛታት ግቡእ ኣገልግሎት እናተውሃበ እዩ።ምቕራብ ምግቢ ክልተ ወርሑ እዩ ካብ ዝጅመር።ዘይመንግስታዊ ትካላት እውን ናብቲ ካምፓት ይኣትው ኣለው ኢሎም። መብዛሕቲኦም እቶም ስደተኛትታ ዘቕርቡዎ ሕቶ ናብ ሳልሳይ ሃገር ምኻድ ጉዳይ እዩ ኢሎም። ኣብ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ 26 መዕቖቢ ስደተኛታት ከምዘለውን ልዕሊ 900,000 ስደተኛን ምህላዎምን ዝገለፁ ንሶም በኣካል እቲ ፀገም ዝወረዶም ዝተብሃሉ ኣዚዮም ዝወሓዱ እዮም ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/unhcr-and-officals-of-agency-for-refugee-and-returnee-of-ethiopia-visted-two-refugees-centers-in-tigray\/5751101.html"} {"headline":"ህንጸት መስመር ዓሰብ ርክብ ንግዲን ማሕበራዊ ምትእስሳር ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሕይል'ዩ ተባሂሉ","content":"ምስ ናይ ኤርትራ ወደብ ዓሰብ ንምርኻብ ተሓሲቡ ኣብዚ ሰሙን`ዚ ዝተጀመረ ፕሮጀክት ጽርግያ፡ ንርክብ ንግዲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሐይልን ማሕበራዊ ምትእስሳር ክልቲኤን ሃገራት ዘደልድልን ምዃኑ ነቲ ፕሮጀክት መሪቓ ዝኸፈተት ሚኒስትር መጉዓዝያ ኢትዮጵያ ዳግማዊት ሞገስ ኣፍሊጣ። ብፍላይ ንህዝቢ ዓፋር ድማ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ረብሕኡ ልዑል ምዃኑ ተገሊጹ`ሎ። እቲ 71.6 ኪሜ ዝንውሓቱ ካብ ሜሎዶኒ ምስ ማንዳን ቡሬ ዘራኽብ ጽርግያ፡ ብ2.8 ቢልየን ብር ወጻኢ ዝስራሕ ዘሎ ኮይኑ፡ ንወደባት ዓሰብን ታጁራን ብቐሊሉ ዘራኽብ`ዩ ተባሂሉ`ሎ። ብሸነኽ ኤርትራ ካብ ቡሬ ክሳብ ዓሰብ ዘሎ 70 ኪ.ሜ ጸሊም ጽርግያ ግን ኣቐዲሙ ምስርሑ ክፍለጥ ተኻኢሉ`ሎ። 78 ኪ.ሜ ዝንውሓቱን ካብ ዲቺኦቶ ክሳብ ኤሊደሃር ከምኡ`ውን በልሆ ዘሎ መንገዲ `ውን ኣቐድም ኣቢሉ ተዛዚሙ ዝተመረቐ ምዃኑ ተፈሊጡ`ሎ ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8A%95%E1%8C%B8%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AD-%E1%8B%93%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%AD%E1%8A%AD%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%8B%B2%E1%8A%95-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8A%A5%E1%88%B5-%E1%88%B3%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%88%95%E1%8B%AD%E1%88%8D-%E1%8B%A9-%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%82%E1%88%89\/5751040.html"} {"headline":"ውዱብ ጥዕና ዓለም ኣብ ክልል ትግራይ ዝርግሓ ሕማማት ይውስኽ ምህላው ኣጠንቂቑ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ብዝተወለዐ ጎንፂ ምኽንያት ዝተቋረፀ ኣገልግሎት ትካላት ጥዕና ንሞት ከሳጥሑ ዝኽእሉ ሕማማት ከስዕቡ ይኽእል እዩ ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ። ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ኣብ መንጎ ህወሓትን ፌደራል ሓይልታት ኢትዮጵያን ይካየድ ብዘሎ ኲናት ምኽንያት ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዕንቅፋት ፈጢሩ ኣሎ ።ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሓበሮ ልዕሊ 4.5 ዝኾኑ ሰባት ሓገዝ የድሊዮም ኣሎ ። ካብዚኦም እቶም ፍርቂ ህፃናት እዮም ። ውድብ ጥዕና ዓለምን ካልኦት ወሃብቲ ሓገዝን ክንቀሳቀሱ ዝተፈቅደሎም ከባቢታት ኣዝዩ ውስን 'ዩ ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብቲ ከባቢ ዝበፅሑ ሰበስልጣናት ውድብ ጥዕና ዓለም መብዛሕትኦም ሆስፒታላትን ክሊኒካትን ዝተወሰነ ኣገልግሎት ጥራሕ ከምዝህቡ ፣ ሰብ ሞያ ጥዕና ከምዝተፈናቀሉን ኣድለይቲ ዝበሃሉ ኣገልግሎታት ጥዕና ከም እተቋረፃን ተዛሪቦም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8D%E1%8B%B1%E1%89%A5-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%88%93-%E1%88%95%E1%88%9B%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8B%8D%E1%88%B5%E1%8A%BD-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8A%A3%E1%8C%A0%E1%8A%95%E1%89%82%E1%89%91\/5751008.html"} {"headline":"ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ክልል ጋምቤላ ከቢድ ጥሕሰት መሰላት ይፍጸም ምህላው ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ከቢድ ጥሕሰት መሰላት ይፍጸም ምህላዉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ኣብ ልዕሊ ኣባላት ተቓወምቲ ፓርትታት`ውን ማእሰርትን ምክልባትን ዝርከቦ ንኣባላት ስድራቤት ተቓወምቲ ክሳብ ካብ ናይ መንግስቲ ስራሕ ምብራር ዝበጽሕ በደል ከምዝፍጸሞም እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘውጽኦ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ኣፍሊጡ`ሎ። ኣብቲ መግለጺ ንህወሓት ብገንዘብን ብኻልእን ይሕግዙ`ዮም ከምኡ`ውን ኣብቲ ክልል ኣብ መንጎ ህዝቢ ግጭት ናይ ምልዕዓል ዕላማ ሒዞም ተንቀሳቒሶም ብዝብል ምኽንያት 93 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ፖሊስ ከም ዝረከቡ ድሕሪ ምግላጽ ክሳብ ሎሚ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡ ይሕብር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AB%E1%89%B0-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8C%8B%E1%88%9D%E1%89%A4%E1%88%8B-%E1%8A%A8%E1%89%A2%E1%8B%B5-%E1%8C%A5%E1%88%95%E1%88%B0%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8D%8D%E1%8C%B8%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5750989.html"} {"headline":"ህንጸት ዓሰብ ዝበጽሕ ጽርግያ ሜሎዶኒ-ማንዳ-ቡሬ ተጀሚሩ","content":"ልዕሊ ክልተ ቢልየን ብር ወጻኢ ዝተገብረሉ ህንጸት ዓሰብ ዝበጽሕ ጽርግያ ሜሎዶኒ-ማንዳ-ቡሬ ትማሊ ሓሙስ ተመሪቑ ምጅማሩ ተገሊጹ። እቲ 78 ኪ.ሜ ንውሓት ዘለዎም ጽርግያ ትማሊ ሓሙስ ሚኒስትር መጉዓዝያ ኢትዮጵያ ወ\/ሮ ዳግማዊት ሞገስ: በዓል ስልጣን ክፍሊ መንገዲታት ኢንጂነር ሃብታሙ ተገኝን ምምሕዳር ዓፋር ክልል አቶ አወል አርባ መሪቖም ምኽፋቶም ተሓቢሩ'ሎ። ምኽፋት እዚ ጽርግያ ካብ ወደብ ዓሰብ ዝርከብ ተረባሕነት ብተወሳኺ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዝህልዎ ርክብ ዓቢ ተራ ክህልዎ ምዃኑ'ውን ኣብቲ አጋጣሙ ተገሊጹ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%8C%BD%E1%88%95-%E1%8C%BD%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%8B%AB-%E1%88%9C%E1%88%8E%E1%8B%B6%E1%8A%92-%E1%88%9B%E1%8A%95%E1%8B%B3-%E1%89%A1%E1%88%AC-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9\/5748431.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ን2.5 ሚልዮን ሰባት ረድኤት ንምቕራብ እኹል ምድላው ከምዝተገብረ ተገሊጹ","content":"ናይ ኢትዮጵያ ሓደጋ ስግኣት ኣመራርሓ ስራሕ ኮሚሽን ኣብ ክልል ትግራይ ን2.5 ሚሊዮን ሰባት ረድኤት ንምቕራብ እኹል ምድላው ከምዝተገብረ ኣፍሊጡ። እንተኾነ ክሳብ ሎሚ ዝቐረበ ረድኤት ግን 52 ሚእታዊት ጥራሕ ምዃኑ ተገሊፁ'ሎ። እቲ ረድኤት ናብቲ ዝድለ ከይበፅሕ ዝዕንቅፉ ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ገለ ቦታታት ከምዘለው ኮሚሽነር ኮሚሽን ናይ ሓደጋ ስግኣት ኣመራርሓ ምትኩ ካሳ ተዛሪቦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%952-5-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%A8%E1%8B%B5%E1%8A%A4%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A5%E1%8A%B9%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5746944.html"} {"headline":"ኣብ ከባቢታት መቐለ: ውቕሮን ዕዳጋ ሓሙስን ኣገልግሎት ቴሌፎን ኣብ ከተማ መቐለ ድማ ኢንተርነት ምጅማሩ ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ከባቢታት መቐለ፣ውቕሮን ዕዳጋ ሓሙስን ናይ ስልኪ፣ኣብ ከተማ መቐለ ድማ ኣገልግሎታት ኢንቴርኔት ዳግም ምጅማሩ ኢትዮ-ቴሌኮም ኣፍሊጡ። ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ወይዘሪት ፍረህይወት ታምሩ ሎሚ ሓሙስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ'የን ነዚ ሓቢረን። ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም \"ኣብ ከተማ መቐለ ናይ ሞባይል ድምፂ ከምኡ እውን ናይ ብሮድባንድ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ኢና ንርከብ።ምሉእ ብምሉእ ናብቲ ዝነብሮ ናይ ምምላስ ስራሕ ኣይወዳእናን። ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበሉ ኣቑሑት ጉድኣት ወሪዱ እዩ። ዝጠፍኡ ኣቑሑት እውን ኣለው\" ኢለን። ወይዘሪት ፍረህይወት ታምሩ ወሲኸን ኣብቲ ክልል ብሰንኪ ዝተኻየደ ኵናት ኣብ ልዕሊ እቲ ትካል ዝወረደ ጉድኣት ብምፅጋን ኣገልግሎታት ንምሃብ ፃዕርታት ከምዝቐፀሉ ወሲኸን ገሊፀን። ብሰንኪ ፀገም ፀጥታ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ከባቢታት ቄለም ወለጋን ምዕራብ ወለጋን ተቛሪፁ ዝነበረ ኣገልግሎት ቴሌኮም ከምዝጀመረ'ውን ወይዘሪት ፍረህይወት ሓቢረን ኣለዋ። ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ብዘጋጠመ ፀገም ሰላም እቲ ትካል ክሰርሖም ካብ ዝሓዞ ትልሚ 95 ሚእታዊት ምዕዋቱ ወሲኸን ሓቢረን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8B%8D%E1%89%95%E1%88%AE%E1%8A%95-%E1%8B%95%E1%8B%B3%E1%8C%8B-%E1%88%93%E1%88%99%E1%88%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%89%B4%E1%88%8C%E1%8D%8E%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8B%B5%E1%88%9B-%E1%8A%A2%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8C%85%E1%88%9B%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9-\/5746762.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ንምስሕሓብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ንምፍታሕ ሱዳን ናብ ዝነበረቶ ትመልስ ዝብል ቕድመ ኹነት ኣቕሪባ","content":"ኢትዮጵያ:ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ምስሕሓብ ዶብ ንምፍታሕ ሱዳን ቅድም ክብል ናብ ዝነበረቶ ክትምለስ ዝብል ቅድመ ኩነታት ኣቐሚጣ። ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ከምዚ ኢሎም። \"ሎሚ እውን መርገፂና ሓደን ሓደን ጥራሕ እዩ።ናብቲ ዝነበሮ ኩነታት ተመለሱ ድሕሪኡ ምዝርራብ ንኽእል ኢና።ቀደም እውን ንዘራረብ ነይርና ኢና።ስለዚ ናብቲ ዝነበርኩምዎ ናብቲ ፍሉጥ ቦታ ተመለሱ ክንዘራረብ ንኽእል ኢና ንብል ዘለና።ነዚ ድማ ናይ ዝኾነ ይኹን ሳልሳይ ወገን ሸምጋሊ ኣይንደልን። \" ኣምባሳደር ዲና ሓይልታት ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ክሕልዉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፈቒዱ ዝብል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ ኢሎም።ሓይልና ሕጊ ንምኽባር \"ናብ ሰሜን ክፋል ሃገርና ኣብ ዘዘረሉ እዋን ኣብ ዶብ ከባቢ ንኽልቲአን ሃገራት ዘይምቹእ ነገራት ከይስርሑ ብናትና መሪሕነት ንመንግስቲ ሱዳን ዝተወሃበ ሓደራ እምበር ዶብ ጥሒሶም ክሕዙዎ ልዕሊ ኩሉ ድማ ናትና እዩ ክብሉ ዝተባህለ ነገር ኣይነበረን’’ ኢሎም ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%95%E1%88%93%E1%89%A5-%E1%8B%B6%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%88%95-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%89%B6-%E1%89%B5%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B5-%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%89%95%E1%8B%B5%E1%88%98-%E1%8A%B9%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%95%E1%88%AA%E1%89%A3\/5746723.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ 4.5 ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ረድኤት ከምዘድልዮ ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ኣብዚ ሕጂ እዋን 4.5 ሚሊዮን ህዝቢ ህፁፅ ረድኤት ከምዘድልዮ ናይቲ ክልል ሓላፊ ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይ ኣቶ ኣብርሃ ደስታ ገሊፆም። ንሶም ወሲኾም 2.5 ሚሊዮን ህዝቢ ድማ ካብ መነባብርኡ ከምዝተመዛበለን ብሰንኪ ጥምየት ህይወት ሰብ ይጠፍእ ከምዘሎን ገሊፆም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-4-5-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%88%85%E1%8C%B9%E1%8C%BD-%E1%88%A8%E1%8B%B5%E1%8A%A4%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%B5%E1%88%8D%E1%8B%AE-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5746705.html"} {"headline":"ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራዊያን ስደተኛታት ከምዘሻቅሎም ሕጹይ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ገሊጾም","content":"ሓድሽ ዝተመዘዙ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንክን ካብ ኣባላት ኮሚቴ ሰነት ኣሜሪካ ካብ መንጎ ዝቀረብሎም ሕቶታት ንኡጋንዳ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝምልከቱ ነይሮም። ኣብ ኡጋንዳ ንንቡር መስርሕ ምርጫ ዝጣሓሰ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከምዝተካየደ፣ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን መስርሕ ዲሞክራሲ ንድሕሪት ይጉተት ኣሎ እናበሉ ዝሙግቱ ወገናት ኣለው። ሓድሽ ምምሕዳር ኣሜሪካ ሓያል ንዘይኮነ መስርሕ ዲሞክራሲ አብ ሱዳን፣ ነተን ንዲሞክራሲ ተገዳስነት ኣርእየን ዝነበራ ግና’ከ ንድሕሪት ይምለሳ ኣለዋ ዝባሃላ ከም ኡጋንዳን ገለ ሰባት’ውን ንኢትዮጵያ ይጠቅሱ። ከመይ ኣቢልካ’ዩ ነዞም ኩነታት ምሕጋዝ ዝካኣል? ዝብል ሕቶ ካብ ኣባል ኮሚቴ ዝቀረበሎም ኣንቶኒ ብሊንክን \"ከምዝመስለኒ፣ ዘየቋርጽ ጽምዶ ብምግባር’ምበር እቲ ጸገም ምስተፈጠረ ንክትእርሞ ብምፍታን ክኸውን የብሉን\" ኢሎም። ብዛዕባ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኸሰተ ኣመልኪቶም \"ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝተጠቀሰ ዓሚቅ ሻቅሎት ኣነ’ውን ይካፈሎ እየ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራዊያን ስደተኛታት ከበድቲ ግፍዒታት ተፈጺሞም እዮም። ስለዚ፣ ናብ’ቲ ክልል ብዝበለጸ ክንኣቱ ኣገዳሲ እዩ፣ ተሓታትነት ክህሉ ኣለዎ። መስርሕ ልዝብ ክትግበር የድሊ፣ ኣፈላላያት ኣብ ክንዲ ብውግእ ብልዝብ ንክፍትሑ ክንሕግዝ ኣለና። ኣገልግሎት ርክባት ስርሖም ክጅምሩ ኣለዎም ኢልና ንኣምን። ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ተጸበይቲ ንክሓልፍ ንደሊ ኢና። ኣነ ብወገነይ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተናኸሰ ህውከት ንመላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክልክሞ እዩ ዝብል ስግኣት ኣለኒ \"ኢሎም:: ኣብ ኡጋንዳ፣ ካሜሩን፣ ብሕልፊ ኣብ ልዕሊ ተዛረብቲ እንግሊዝኛ ዝቀንዐ ጥቅዓት ተዓዚብና ኣለና። ስለዚ፣ ዩናይትድ ስቴትስ ብሰፊሑ ክትነጥፈሉ ዝግባኣ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ኣለው ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%8D%8D%E1%8B%92-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%BB%E1%89%85%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%88%95%E1%8C%B9%E1%8B%AD-%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AD-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/5745530.html"} {"headline":"ኣብ መቀለ ትግራይ ዝተቀንጸለ ጋዜጠኛ ዳዊት ከበደ","content":"ንቴለቭዥን ትግራይ ክፍሊ አምሓርኛ ዝሰርሕ ጋዜጠኛ ዳዊት ከበደ ትማሊ ሰሉስ ምሸት ብሓይልታት መንግስቲ ከምዝተቀትለ ምንጭታት ቪኦኤ ገሊጾም። መሳርሕቱን ብጾቱን ተቃውሞኦም ከምዘስምዑ ተፈሊጡ አሎ። ኮምሽን ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር ብዛዕባ'ቲ ቅንጸላ ሪኢቶ ክህብ ዝኽእል እንተኾይኑ ዝተገበረ ጻዕሪ ግና ኣይሰለጠን። እንተረኺብና ክነቅርበልኩም ኢና። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/reporter-killed-in-mekelle-tigay-dawit-kebede-\/5745136.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይን ኣዋሰንቲ ከባቢታትን ኩነታት ናብ ቅልውላው ከምርሕ ይኽእል እዩ ኢሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ","content":"ኵናት ኣብዝተኻየዶ ክልል ትግራይን ኣዋሰንቲ ከባቢታትን ዘሎ ኩነታት ናብ ቅልውላው ከምርሕ ከምዝኽእል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣተሓሳሲቡ።ኣብ ጎንደር፣ዳንሻ፣ከምኡ እውን ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ደቡብ ወረዳ ጨርጨር ዝተመዛበሉ ሰባት ኩነታት ዝምልከት እቲ ኮሚሽን ህፁፅ ሰብኣዊ ረድኤትን ሓገዝን ክቐርብ ኣለዎ ኢሉ ኣሎ። እቲ ኮሚሽንካብ 6 ታሕሳስ ክሳብ 11 ታሕሳስ 2013 ዓ\\ም ኣብ ጎንደርን ዳንሻን ካብ 22 ታሕሳስ ክሳብ 27 ታሕሳስ 2013 ዓ\\ም ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ደቡብ ወረዳ ጨርጨር ናብ ዝርከቡ ናይ ገጠር ዓድታት ኡላጋን ቢሶበርን ብምጉዓን ናይ መንግስትን መንግስታዊ ዘይኮኑን ኣካላትን፣ዝተጎድኡን ካልኦት ዝምልከቶምን ኣካላት ብምዝርራብ ዘካየዶ ምርመራ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ። ምርመራ ኣካይደ ኣብ ዝበሎም ዳንሻ፣ሑመራ፣ኣብ ቢሶበርን ኡላጋን እቲ ኵናት ናይ ስቪላት ሞትን ኣካላዊ ጉድኣትን ምስዓቡ ኣረጋጊፁ ኣሎ። ላዕለወይቲ ኣማኻሪት ናይቲ ኮሚሽን ወይዘሪት ኣልበባ ተስፋየ እቲ ኵናት ኣብ ዝተኻየዶም ዳንሻ፣ሑመራ፣በቢሶበን ኡላጋን ከባቢታት ዘሎ ኩነታት ናብ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምርሕ ይኽእል እዩ ኢለን።’’ረድኤት ኣዚዩ ዘተሓሳስብን ዘስግእን ምዃኑን ንዝምልከቶም ኣካላት፣ኢትዮጵያዊያን ረድኤት ክገብሩ ፃውዒት ዝገብር ፅበፃብ እዩ’’ ኢለን ብምውሳኽ። ‘’ንሕና ኣብ ዝኸድናሎም ቦታታት ዝርኣናዮ ከም ማይ፣መብራህቲ ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት የለውን ሰራሕተኛታት ሆስፒታል ንርእሶም እኹል ቀረብ የብሎምን’’ ኢለን። ኣብ ሑመራ ሰራዊት ምክልኻልን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ሓዊሱ 94 ሰባት፣ኣብ ወረዳ ጨርጨር ቢሶበን ኡላጋን 31 ስቪላት ሰባትን ከምዝተቐትሉ እቲ ፀብፃብ ኣፍሊጡ ኣሎ።ኣብ ቢሶበርን ኡላጋን ዝሞቱ 31 ሰባት ግን ኣብቲ ውግእ ዘይተሳተፉ ስቪላት እዮም ኢለን። ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ትግራይ ዝተምዛበሉ 73 ሽሕ ሰባት ከምዝኾነ ሓቢረን።ኣብ ኣርባዕተ ከተማታት ስርቅን ምዕናው ንብረትን መን ፈፂሙዎ ንዝብል ሕቶ ኣብ ሑመራ ዝተፈፅመ ገበን ፍሉይ ሓይሊ ሓዊሱ ተሳቲፎም እዮም ዝብሃል።ኣብ ዳንሻ ይውሓድ ይንኣስ ደሓን እዩ።ዘፍርሕ ዘሎ ብሄር ተኮር ምፍርራሕ እዩ።በዚ ምኽኒያት ድማ ዝተሰደዱ ሰባት ኣለው ኢለን። ዮናታን ዘብዲዮስ ዘዘራረብኩዎም ነበርቲ ነቲ ዘረፋ ዝፈፀሙ ፋኖ ዝብሃል ናይ ኣምሓራ ተወለድቲ መናእሰይ ከምዝኾኑን ውሱን ዝኾኑ ናይ ኣምሓራ ፍሉይ ሓይሊ ከምዝፈፀሙዎን ከምዝገለፅኡ ብምሕባር ኣብቲ ሪፖርት ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ናይ ኤርትራ ወታደራትን ኣብት ዘረፋ ምስታፎም ተገሊፁ ኣሎ። ብቀንድነት ዝኽሰስ ዘሎ ፋኖ ኢዱ ኣእትዩ ዝብል እዩ ዝበላ ንሰን ግን ንሕና ዝሰማዕናዮ ድማ ናይ ስቪል ዝተኸደኑ ኩሎም ወረርቲ ፋኖ ተባሂሉ እዩ ዝድምደም ኢለን። ብሓፈሻ ግን ሓይልታት ምክልኻል ስርዓት ዘለዎም ምዃኖምን ዝተወሰኑ ኣባላት ምክልኻል ግን ኣብ ከምዚ ዝበለ ተግባር ምስታፎም ስሚዕና ኣለና ኢለን። እቲ ጉጅለ ኣብ ዝኸዶም ከባቢታት እቶም ፅጉማት ብነበርቲ ናይቲ ከባቢ ሓገዝ ከምዝግበረሎም ወይ ሓደ ግዜ ጥራሕ ረድኤት ከምዝተውሃቦምን ኣብቲ ሪፖርት ተሓቢሩ ኣሎ።ኣብ ስቪል ሰባት ዝወረደ ጉድኣት ዝምልከቶም ኣካላት ዝለዓለን ቅልጡፍን ምርብራብ ዝሓትት እዩ ይብል እቲ ፀብፃብ። ክኢላታት ናይቲ ኮሚሽን ካብ 2 ጥሪ ጀሚሩ ንተወሳኽ ስራሕ ናብ ከተማ መቐለን ካልኦት ከባቢታት ክልል ትግራይን ብምንቅስቓስ ሰብኣዊ ቅልውላውን ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላትን ብምምርማር ምስ ተዛዘመ ዕላዊ ክኸውን ምዃኑ ወሲኹ ኣፍሊጡ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/humanitarian-situations-in-tigray-is-dire-said-ethiopia-human-rights-commission\/5743749.html"} {"headline":"በዓል ጥምቀት ኣብ ኣስመራ ብምዕሩግ ኣገባብ ተኸቢሩ","content":"ናይ ሎሚ ዓመት በዓል ጥምቀት ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ዝወጽኡ መከላኸሊ ቅጥዕታት ኣብ ግምት ብዘእተወ ኣገባብ ውሱናት ብጹኣን ጳጳሳትን ኣቦታትን ጥራይ ኣብ ዝተረኽብሉ ሎሚ 19 ጥሪ ኣብ ኣስመራ ፡ባሕሪ ጥምቀት ብክብ ዝበለ ማዕረግ ተኸቢሩ ውዒሉ። ነቲ በዓል ዝገልጹ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስርዓታት ተኻይዶም።ኣብቲ ዕለት ኣስተምህሮ ዝሃቡ መምህር ስምኦን በየነ”እዛ ዕለት ሚስጥረ ስላሰ ዝተገለጸሉን ሓጥያት ደቂ ሰባት ዝተደምሰሰሉን ዕለት እያ” ክብሉ ተዛሪቦም።ናይ’ቲ በዓል ተሳተፍቲ ብወገኖም “ በዓል ጥምቀት ትሕትናን ፍቕርን ንምሃረላ በዓል’ዩ’ ክብሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ርእይቶኦም ሂቦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%89%80%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%A9%E1%8C%8D-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%89%A3%E1%89%A5-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%89%A2%E1%88%A9\/5743609.html"} {"headline":"ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ዘመናዊ ሜላ ምድቓል ኣፍራስ ከምዘተኣታተወ ገሊጹ","content":"ዓሌት ኣፍራስ ንምምሕያሽ ዘመናዊ ሜላ ምድቓል ኣፍራስ ከምዘተኣታተው ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ገሊጹ። ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ ኤርትራ ዝርአ ዘሎ ዋሕዲ ኣፍራስን ዓሌትን ብቁጽርን ዓይነትን ብምምሕያሽ ብርትዓዊ ዋጋ ንተጠቀምቲ ንምቕራብ ዘመናዊ ሜላ ምድቓል ከምዝተኣታተወ ኣብቲ ሚኒስትሪ ሓላፊ ኣሃዱ ልምዓት ስጋን ቆርበትን ፡ኣካያዲ ስራሕ ማእከል ምድቓል ኣፍራስ፡ማንቲለን ሓሰማን መንእሰይ ሄኖክ ገ\/ሂወት ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ።ተጠቀምቲ ብወገኖም እቲ ሓዲሽ ሜላን ዝተዋህቦም ስልጠናን ኣብ ስርሖም ከምዝሕገዞም ተዛሪቦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%88%95%E1%88%AD%E1%88%BB-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%98%E1%88%98%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%88%9C%E1%88%8B-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%89%93%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%89%B0%E1%8A%A3%E1%89%B3%E1%89%B0%E1%8B%88-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5742219.html"} {"headline":"ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ንሕጋውነት ህወሓት ቀንጢጡ","content":".ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ንሕጋውነት ህወሓት ቀንጢጡ። እቲ ፓርቲ ኣብ ሓይሊ ዝተመስረተ ናይ ዓመጽ ተግባር ከምዝተሳተፈ ምርግጋጹ`ውን ቦርድ ምርጫ ኣፍሊጡ`ሎ። ሓለፍቲ`ቲ ፓርቲ ብሽም`ቲ ፓርቲ ክንቀሳቐሱ ከም ዘይክእሉ`ውን እቲ ቦርድ ውሳነ ኣሕሊፉ`ሎ። ቦርድ ምርጫ ወሲኹ ኣብ ክልል ትግራይ ዝንቀሳቀሱ ካልኦት ሰለስተ ፓርቲታት ድማ ንምንቅስቃሶም ዝምልከት መብርሂ ክህቡ ትእዛዝ ሂቡ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%89%A6%E1%88%AD%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%95%E1%8C%8B%E1%8B%8D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%8A%95%E1%8C%A2%E1%8C%A1\/5742184.html"} {"headline":"ኤርትራ: 'ትካል ስደተኛታት ሕ\/ሃ ዘይሓላፍነታዊ ጸለመ የካይድ ኣሎ' ክትብል ምላሽ ሂባ","content":"ኤርትራ ንትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሕጂ`ውን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘይሓላፍነታዊ ጸለመ ዝሓዘ ዘመተ የካይድ ኣሎ ድሕሪ ምባል፡ ኤርትራ ነቲ ኣብ 1952 ዝወጸ ንስደተኛታት ዝምልከት ኣህጉራዊ ውዕል ኣብ ምኽባር ነቕ ዘይብል መትከላ ኣይተቐየረን ኢሉ። እቲ ብሚንስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ዝተዘርግሐ ናይ ትዊተር መግለጺ ብፍላይ ድማ ኤርትራ ነቲ ንስደተኛታት ብሓይሊ ትመልስ ዝብል ክሲ ብዘይማትእ መንገዲ ትነጽጎ ይብል። ይኹን`ምበር ኤርትራውያን ብገዛእ ፍቓዶም ናብ ዓዶም ናይ ምምላስ ምሉእ መሰሎም ኣለዎም ዝበለ መግለጺ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ትሸዓተ ኣዋርሕ ለበዳ ቫይረስኮሮና ካብ ዝባራዕ ንድሓር`ኳ 1ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ብዘይስሩዕ መንገዲ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም`ዮም ይብል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8D%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%8C%B8%E1%88%88%E1%88%98-%E1%8B%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%BD-%E1%88%82%E1%89%A3\/5742165.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ጉድኣት ምብጽሑ ዘርእይ ምስሊ ሳተላይት ምርካቡ ጸብጻባት ይሕብሩ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝርከብ ሓደ መዓስከር ስደተኛታት፡ ልዕሊ 400 ዝኸውን ቅርጽታቱ ከቢድ ጉድኣት ከምዝወረዶ ሓዱሽ ካብ ሳተላይት ዝተረኽበ ምስሊ ኣርእዩ ። ብምኽንያት ኣብቲ ከባቢ ዝካየድ ዘሎ ዂናት ኮነ ተባሂሉ ዝተፈፀመ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ነቲ መፅናዕቲ ዘካይድ ዘሎ ጉጅለ ይዛረብ ። ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ DR open Network ዝተባህለ ዘይመኽሰባዊ ትካል ንኣሶሼትድ ፕረስ ከም ዝሓበሮ እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብቲ ኸባቢ ክፍጸም ናይ ዝጸንሐ ተኸታታሊ ወተሃደራዊ ምትእትታው ዳሕራዋይ መጥቃዕቲ ክኸውን ይኽእል`ዩ ተባሂሉ`ሎ። ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ስደተኛታት ከምዝበልዎ ቅድም ኢሎም ዝተረኽቡ ምስልታት ነቶም ቀንዲ ዓለምለኸ ሕግታት ምጥሓሶም ዘመላኽቱ ጭቡጥ መርኣያታት እዮም ክብሉ ጠቂሶም እዮም ። እቲ መዓስከር ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ክልል ትግራይን ኲናት ቅድሚ ምልዓሉ 96,000 ስደተኛታት ኤርትራ ተዓቊቦሙሎም ካብ ዝነበሩ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኣርባዕተ መዓስከራት እቲ ሓደ እዩ። ንጡፍ ተሳትፎ ሰራዊት ኤርትራ'ውን ከምዘሎ`ውን ፀብፃብ ኣሶሼትድ ፕረስ ይሕብር። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%B5%E1%8A%A8%E1%88%AD-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8C%89%E1%8B%B5%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%88%91-%E1%8B%98%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%8A-%E1%88%B3%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%AD%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%AB%E1%89%A1-%E1%8C%B8%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A9\/5742145.html"} {"headline":"ምስ ክልተ ነበርቲ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ቃለ ምልልስ (2ይ ክፋል)","content":"ኣብ ትግራይ ብዘሎ ጭ ኩነታት እቲ ህዝቢ ንናብርኡ ዘድልዩዎ ቀረባትን ኣገልግሎታትን ኣብ ትሕቲ ዝብል ነባሪት ከተማ መቐለ ምስ ዝኾና ወይዘሮ ኣበባ ገብረስላሰን ሓላፊ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ኣቶ በርሀ ኣርከበን ዝተኻየደ ቃለ ምልልስ ካልኣይ ክፍል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B0-%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%88%8D%E1%88%B5-(2%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%8D%8B%E1%88%8D)\/5741932.html"} {"headline":"ምስ ክልተ ነበርቲ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ቃለ ምልልስ (1ይ ክፋል)","content":"ኣብ ትግራይ ብዘሎ ኩነታት እቲ ህዝቢ ንናብርኡ ዘድልዩዎ ቀረባትን ኣገልግሎታትን ኣብ ትሕቲ ዝብል ነባሪት ከተማ መቐለ ምስ ዝኾና ወይዘሮ ኣበባ ገብረስላሰን ሓላፊ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ኣቶ በርሀ ኣርከበን ዝተኻየደ ቃለ ምልልስ ቀዳማይ ክፋል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B0-%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%88%8D%E1%88%B5-(1%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%8D%8B%E1%88%8D)\/5741927.html"} {"headline":"ዕላል ሓዲሽ ዓመት ምስ ኣከፋፋሊ ቤተ መጸሓፍቲ 'ሰማያት' መኮነን ተስፋይ(2ይ ክፍል)","content":"ቅድሚ ሎሚ'ውን 'እዝኒ መሰታ ቀዳሞት'ትብል ብዛዕባ ኣቦታት ማሰን መልቀስን እተዘንቱ መጽሓፍ ኣበርኪቱ ኔሩ'ዩ። ሕጂ ድማ መጸሓፍቲ ኤርትራውያን ደረስቲ ኣብ ምዝርጋሕ ይነጥፍ ኣሎ። 'ቤተ መጸሓፍቲ ሰማያት' ኣብ ዙርያ ዓለም ጠለባት ዓማዊል ኣብ ምምላእ ብዕቱብ ትሰርሕ ኣላ ይብል ኣካያዲኣ መኮነን ተስፋይ። ጠለብ ኣንበብቲ ልዕሊ ትጽቢቱ ምዃኑ'ውን ይጠቅስ። ምስ መምህር መኮነን ተስፋይ ዝተገብረ ዕላል ካልኣይ ክፋል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%95%E1%88%8B%E1%88%8D-%E1%88%93%E1%8B%B2%E1%88%BD-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8A%A8%E1%8D%8B%E1%8D%8B%E1%88%8A-%E1%89%A4%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%8D%E1%89%B2-%E1%88%B0%E1%88%9B%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%AE%E1%8A%90%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%88%B5%E1%8D%8B%E1%8B%AD(2%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%88%8D)\/5739603.html"} {"headline":"ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ሕ\/ሃ ኩነታት ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ትግራይ ከምዘሻቀሎም ገሊጾም","content":"ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዲ “ሰብኣዊ ኩነታት ኣብ ትግራይ ኢትዮጵያ ‘ዓሚቅ ሻቅሎት’ ፈጢሩለይ ኣሎ” ኢሎም። ፍሊፖ ግራንዲ ኣብ ትግራይ ዘለው ኤርትራዊያን ስደተኛታት ሓደጋ ከምዘንጸላለዎም’ውን ጠቂሶም ኣለው ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8A-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%BB%E1%89%80%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/5739479.html"} {"headline":"ሱዳን: ኢትዮጵያ ንዘሎ ውጥረት ተጓሃህር አላ ክትብል ትኸስስ","content":"ሱዳን፣ ወትሃደራዊ ነፋሪት ኢትዮጵያ ናብ ናይ ኣየር ግዝኣተይ ኣትያ ኢላ ንጎረቤታ ድሕሪ ምኽሳሳ፣ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብሰንኪ ምስሕሓብ ዶብ ዝተበገሰ ውጥረት ንሂሩ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ​","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8B%8D%E1%8C%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8C%93%E1%88%83%E1%88%85%E1%88%AD-%E1%8A%A0%E1%88%8B-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8A%B8%E1%88%B5%E1%88%B5\/5739469.html"} {"headline":"ሓደጋ ኮቪድ 19 ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣሻቃሊ ብርኪ በጺሑ ተባሂሉ","content":"ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ይካየድ ዘሎ ውግእ ናብ ሱዳን ዝሰገሩ ስደተኛታት፣ ብቫይረስ ኮሮና ዝታሓዙ በዝሖም ይንህር ከምዘሎ ሰራሕተኛታት ረድኤት ኣብ’ዚ ቅነ ኣረጋጊጾም። ትካል ስዱዳት ሕቡራት ሃገራትን ጉጅለ ሜርስይ ኮፕስን ከምዝበልዎ ‘ሰብኣዊ ጥፍኣት ንምውጋድ፣ ህጹጽ ጣልቃ ምእታው ከምዝጠልብ’ ኣተሓሳሲቦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B-%E1%8A%AE%E1%89%AA%E1%8B%B5-19-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%B5%E1%8A%A8%E1%88%AD-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%BB%E1%89%83%E1%88%8A-%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%8A%AA-%E1%89%A0%E1%8C%BA%E1%88%91-%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%82%E1%88%89-\/5737864.html"} {"headline":"ሕቡራት  ሃገራት  ኣብ ገጠራት ትግራይ ይኽሰት ብዘሎ መጥቃዕቲን መግሃስቲን ሻቅሎቱ ገሊጹ","content":"ሕቡራት ሃገራት ውግእ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዝጅመር ንደሓር ኣብ ዘሎ ክልተ ወርሒን ፈረቃን፣ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸር ህዝቢ፣ ሓገዝ ይረክብ ብዘይምህላው ሻቕሎቱ ገሊጾም ። ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት \"ኣብ ገጠራት ትግራይ የጋጥም ዘሎ መቁሰልቲን ሞትን፣ ከምኡውን ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ንጾታዊ መጥቃዕቲ ሓዊሱ ዝፍጸሙ መግሃስታት ዝምልከቱ ሓባሪ ሪፖርታት ይመጸና ኣሎ እንተኾነ ሓቂ ንምዃኑ ከይነረጋግጽ ብድሆ ኮይኑና አሎ ይብል። ብሰበ ስልጣን ናብ ዝተፈቀደ ውሱን ከባቢታት ረድኤት ነብጽሕ ኣለና፣ እንተኾነ፣ ምስ’ቶም ሓገዝ ዝጽበዩ 2.3 ሚልዮን ክነጻጸር ከሎ ናብ ኣዝዩ ውሑድ ህዝቢ ኢና ንበጽሕ ዘለና’ውን\" ኢሉ። ሰራሕተኛታትና ይብል ንሱ ‘ብሕልፊ ኣብ መዓስከር ስዱዳት ሕጻጽን ሽመልባን ኣዝዩ ኣሻቃሊ ኮይኑዎም ከምዘሎን ናብ’ቶም መዓስከራት ክኣትው ከምዘይካኣሉን ይገልጹልና ኣለው’ ይብል እቲ ወሃቢ ቃል። አብ መብዛሕትኡ ዞባታት ትግራይ ባንኪታት ተዓጽዮም ስለዘለው 270 ሽሕ ተጠቀምቲ ሴፍቲ ኔት ብዘይ ሓገዝ ተሪፎም ከምዘለው ጠቂሱ። ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከባ ትካላት ጥዕና መድሓኒት ንምቅራብ ጸገም ጸጥታ ዕንቅፋት ኮይኑኒ ኣሎ ክብል ቤሮ ሓለዋ ጥዕና’ቲ ክልል ሎሚ ኣፍሊጡ። ኣብ’ቲ ቢሮ ሓላፊ ኣተሓባባሪ ክፍሊ ፋርማሲ ኣቶ ገ\/እግዚኣብሄር ገ\/ገርጊስ ‘ኣብ’ቲ ክልል ውሑዳት ትካላት ኣገልግሎት ይልግሳ ከምዘለዋ ገሊጹ’ ኣሎ ከምዝበሉ ወኪልና ሙሉጌታ ኣጻባሃ ገሊጹ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95%E1%89%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%88%E1%8C%A0%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%AD%E1%8A%BD%E1%88%B0%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%83%E1%8B%95%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%83%E1%88%B5%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%88%BB%E1%89%85%E1%88%8E%E1%89%B1-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9-\/5737844.html"} {"headline":"ዘተ: ዓበይቲ ዓዲ ክልል ትግራይን ኣምሓራን ( 3ይ ክፋል )","content":"ድሕሪ`ቲ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተኻየደ ኩናት፡ ብፍላይ ኣብቶም ናይ ወሰን ሕቶ ዘለዎም ከባብታት ግጭት ንኸይቅጽል፡ ሓቢርካ ናይ ምንባር ስራሕ ክሕይል ከም ዝግባእ ተወላዶ ኣምሓራን ትግራይን ኣተሓሳሲቦም። ከምኡ`ውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብኻልኦት ኢትዮጵያውያን ጽልኢ ከምዘየለ ንምስትምሃርን፡ ካብ ቂምን በቐልን ንምውጻእ ዘኽእል ናይ ተሓድሶ ስራሕ ክስራሕ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሮም.​ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ዓበይቲ ዓዲ ትግራይን ኣምሓራን ናይ መንነትን ወሰን መሬትን ሕቶታት ዘለዎም ከባብታት ቅልጡፍ ምላሽ ክረኽቡን ልዕልና ሕጊ መታን ክኽበርን ይጽውዑ። ዓበይቲ ዓዲ ክልቲኦም ብሄራት ህዝቢ ኣምሓራ ምስ ህዝቢ ትግራይ ወይ ህዝቢ ትግራይ ምስ ህዝቢ ኣምሓራ ጽልኢ ዝብሃል የብሉን- እቲ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝተወስደ ስጉምቲ ነታ ሃገር ካብ ሓደጋ ምብትታን ንምድሓን ዝተኻየደ ኩናት ምዃኑ ይኣምኑ ። ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስትን ዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ ኣብ ጠረጴዛ ብዘተ ክውዳእ እናተገበኦ፡ ብሓደ ወገን ማለት ብወገን ህወሓት ተቐባልነት ስለዘይረኸበ እቲ ኩናት ክካየድ ክኢሉ ዝብሉ ሽማግለታት ትግራይን ኣምሓራን፡ ሕጂ`ውን መፍትሒኡ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ንኽትቅጽል፡ እቲ ዝጸንሐ ድልዱል ርክብን ሓድነትን ኣምሓራን ትግራይን ብዝሓየለ መልክዕ ክቕጽል ኣለዎ ይብሉ። ኣብዚ መድረኽ ዘተ ዝተሳተፉ፡ ካብ ኣምሓራ ኣቶ ወርቁ በዘን ኣቶ ኣዳነ ኣለምሰገድን ክኾኑ ኸለዉ ካብ ብሄር ትግራይ ድማ ኣቶ ኣያለው ተስፉን ኮለኔል ኪሮስ ኪዳነን`ዮም። \"ናይ ቀደም ፍቕሪ ተመሊሱ ከምዝነበሮ ንክኽፅል ብዙሕ ክስራሕ ዘለዎ ነገር ኣሎ። መጀመርያ በዞም ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ በደል ዝፈጸሙ ሰባት ዝተዘርአ መርዚ ንምጥፋእ ልዑል ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ። ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ኣመላኻኽታ ንጹሕ ምዃኑን፡ ንመራሕቶም`ምበር ኣብ ልዕሊኦም ጽልኢ ከምዘይብሉ ብግልጺ ክርድእዎ ይግባእ\" ዝበለ ኣቶ ወርቁ ፡ \"ከምኡ`ውን ንዝተጎድአ ሕብረተሰብ ኣብ ምሕዋይን ዝዓነወ ኤኮኖሚ ዳግም ኣብ ምህናጽን ኩሉ ማሕበረሰብ ኣብ ምሕጋዝ ክረባረብ ኣለዎ\" ይብል። ኣቶ ኣዳነ ኣለምሰገድ \"ወያነ`ኮ ንኢትዮጵያ ድሕሪ ምቁጽጻሩ፡ ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ዓበይቲ ዓድን ፈላጣት ታሪኽን ከምኡ ኣዝዩ ጠቐምቲ ንዝብሃሉ ክፋል ሕብረተሰብ ኣርዩ ወዲእዎም`ዩ። ንናይ ባዕሉ ህዝቢ`ዩ በሊዑ.። ካልኣይ ንሳቶም ናብ መንግስትነት ምስ መጹ፡ ዝተፈጥረ መንእሰይ`ዩ ዘሎ ሎሚ-ብናቶም ጎስጓስ ዝተመልአ፡ንኣምሓራ ንኽጸልእ ትምህርቲ ዝተውሃቦ ከምኡ ዓይነት ኣተሓሳስባ ንክሰርጾን እናተደርፈሉን ዝዓበየ'ዩ ዘሎ- ስለዚ ነዚ ናብ ቦትኡ ንምምላስ ልዑል ስራሕ `ዩ ዝጽበየና ዘሎ. ንኣብነት ኣብ ከባቢ እንደርታ ሚልሻታት ብገዛእ ፍቓዶም ብረቶም ንሰራዊት ምክልካል ከረክቡ ምርኣይና ጽቡቕ`ዩ\" ይብሉ። \"ካልኣይ እቲ ሕብረተሰብ ትግራይ ጸሊኡ ንከይትብል ድማ፡ ሰራዊት ኣብ ኩለን ከተማታት ክኣቱ ኸሎ፡ ጸረ ሰራዊት ምክልኻል ዝኾነ ምንቅስቓስ ኣይተወስደን። ሳልሳይ ነገር ግን ዘይተዓጠቐ ሓረስታይ ስለዘየለ ብረት ክእከብ ኣለዎ: ድሕሪኡ ናይ ተሓድሶ ስራሕ የድሊ`ዩ። ናብ ነባራዊ ኩነታት ክእቶ ኣለዎ: ሚድያታት ኣትዩ`ሎ ጽቡቕ`ዩ ግን ክቕልጥፍ ኣለዎ። ቃለ-መጠይቓት ካብ ኣዲስ ኣበባ ክትጽበዩ የብልክሙን።ቃለ-መጠይቕ ካብኡ ካብቲ ቦታ`ዩ ክስራሕ ዘለዎ።\" ኣቶ ኣዳነ \"ካልእ ድማ ሕጂ ህዝቢ ንህዝቢ ርክባት ክጅመር ኣለዎ፡ ብስነ-ጥበብን ካልእን ጌርካ ህዝቢ ክተኣሳሰር ይኽእል`ዩ። ጀርመን 6 ሚልየን እስራኤላውያን ኣይሁድ ኣጥፊእ ኸላ ናይ ሎሚ ትውልዲ ቂም የብሉን- ህዝቢ ንህዝቢ ቂም ኣይተሓሓዝን`ዩ። እቲ ሽዕኡ ህዝቢ ዝወድአ ናዚ ግን ክሳብ ለይቲ ሎሚ ይልቀም ኣሎ። ንሳቶም ምእራዮም ኣይተርፍን`ዩ -ህዝቢ ኣምሓራ ግን ኣብ ማይካድራ ጭፍጨፋ ተፈጺሙ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወስዶ ሒነ-ምፍዳይ የለን። ህዝቢ ንህዝቢ ኣይቅየምን`ዩ። እቶም ዘባልዑና ሕጂ`ውን እቶም ፈለጥናልካ ዝብሉ`ዮም\" ይብል ። ተወላዲ ትግራይ ኣቶ ኣያሌው ተስፉ ድማ \"እዛ ሃገር ብጽቡቕ ኩነታት ክትከይድ እንተኾይኑ፡ እቲ ን30 ዓመት ዝጸንሐ ስምዒታት ክወጽእ ኣለዎ። ከመይ ኢሉ`ዩ ክወጽእ ዘለዎ ንዝብል ግን መጀመርያ ክጽናዕ ኣለዎ። ኣብዚ ይጸናዕ ኣብኡ`ውን ይጸናዕ ብቕዓት ዘለዎም ምሁራት ኣጽኒዖም- ነቲ ጸገም ምስ መፍትሒኡ ናብ መንግስቲ ምስ ኣቕረቡ ድሕሪኡ ናይ ምይይጥ መድረኽ ይከፈት።ህዝቢ ሃገረይ`ያ ናተይ`ያ ኢሉ ክሳብ ዝስምዖ ዝገብር ታሪኽ ክስራሕ ኣለዎ።ድሓር ከኣ ተረፍ መረፍ ኣለዉ: ኣብ ትግራይ ናይ ባዕሎም ታሪኽ ዝኽሕዱ ኣለዉ. ስምዒታት ኣሎ`ዩ- እቲ ስምዒታት ግን ፈንቂሉ ክወጽእ ዝኽእል ምስ መሃርካዮ ጥራይ`ዩ- ድሕሪኡ እቲ ጸገም ክፈጥር`የ ዝብል ተታሒዙ ናብ ፍትሒ ክቐርብ ኣለዎ። ስለዚ ትግራይ ብምልኡ ከተምኡን ገጠሩን ናጻ ምስ ኮነ፡ርግጸኛ`የ ህዝቢ ሆ ኢሉ ናብ ሃገራዊ ስምዒቱን-ኢትዮጵያዊ ስምዒቱን ክምለስ`ዩ። እቲ ርእስኻ ምምሕዳር ዝብል ግን ብዙሕ መስዋእቲ ዝተኸፈለሉ ስለዝኾነ ናይ ባዕሉ መሪሕነትን ይደሊ ብቛንቁኡን ብናይ ባዕሉን ክመሓደር`ዩ ዝደሊ\" ኢሎም። ብኻልእ ወገን ብዛዕባ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ማለት ኣብ ወልቃይት ጸገደን ብዛዕባ ዘሎ ሕቶታት ዝምልከት`ውን ሓሳብ ክህብሉ ተላዒሉ ኣቶ ኣዳነ \"ክልተ ጫፋት`ዮም ዘለዉ: ወልቃይት ጸገደ ራያን ጸለምትን ብዝምልከት-ቅድመ ሕገ-መንግስቲ ብሓይሊ ዝተወስዱ`ዮም: ስለዚ ሕጂ ብሓይሊ ተመሊሶም ኣለዉ። ብክልል ኣምሓራ ክመሓደሩ ኣለዎም ዝብል ጫፍ ኣሎ።ብኻልእ ወገን ድማ ኣይፋሉን ሕጂ ኣብ ትግራይ ተመስሪቱ ዘሎ ግዜያዊ ምምሕዳር ድማ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ምምሕዳር ብምልኡ ዘጠቓልል`ዩ ዝብሉ ኣለዉ።ስለዚ ኣብ ጭቕጭቕ`ዩ ዘሎ- ስለዚ እዚ ጉዳይ`ዚ ብጥንቃቐ ክፍታሕ ኣለዎ:ከምኡ እንተዘይኮይኑ ግን ናብ ዳግማይ ኩናት ከይንኣቱ ስግኣትን ፍርሕን ስለዘለኒ ቅልጡፍ ዝኾነ መጽናዕቲ ተገይሩ ፍታሕ ክድለየሉ ኣለዎ። ጉዳይ ወልቃይት ጸገደ ራያን ጸለምትን ቀዳምነት ክውሃቦ ዝግባእ ጉዳይ`ዩ\" ይብል ። ኣብኡ ዘሎ ሕብረተሰብ`ውን ትግራዋይ ዝብሃል ኣይንበር ኣይሕረስ ኣይኮነን ዘሎ ሕትኡ-ሕቶኦም ኣምሓራ ኢና ብክልል ኣምሓራ ንካለል ዝብል`ዩ ይብል ኣቶ ኣዳነ ኣለምሰገድ. ጽንፋዊ መርገጽ ዘለዎም ምስትምሃርን ከምዝዕረዩ ምግባርን`ዩ- ብርክባት ህዝብን ብስፖርትን ካልእን ጌርካ ንህዝቢ ናብ ሓድነት ምምጻእ ይክኣል`ዩ ይብሉ ኣስዒቦም። እቲ ሕብረተሰብ ብገለልተኛ ወገን ዝውሃብ ውሳነ ንምቕባል ጸገም ከምዘይብሉ`ዩ ይኣምኑ። ኣብ መወዳእታ ቂም በቐል ንኸይህሉ፡ ኣምሓራን ትግራይን ኣሕዋት ኮይኖም ብምትሕልላይ ክነብሩን ብሓባር ኮይኖም ልዕልና ሕጊ ከኽብሩን ካብ እኩያን ነብሶም ክሕልዉን እቶም ዓበይቲ ዓዲ ትግራይን ኣምሓራን ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ። ምስ ኣቶ ወርቁ በዘ ኣቶ ኣዳነ ኣለምሰገድን ካብ ኣምሓራ፡ ኣቶ ኣያሌው ተስፉን ኮሌነል ኪሮስ ኪዳነን ካብ ትግራይ ዝተካየደ ዘተ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%8B%93%E1%89%A0%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%8B%93%E1%8B%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB%E1%8A%95-(-3%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%8D%8B%E1%88%8D-)\/5737667.html"} {"headline":"ፖለቲካ ውድባት ኢትዮጵያ ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ንምዕዋት ምንቅስቃስ ምጅማሮም ይገልጹ","content":"ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ብዘቐመጦ ናይ ግዜ ሰደቓ ተወዳደርቲ ፖለቲካዊ ውድባት ስዒሮም ንምውፃእ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ከምዝገብሩ ገሊፆም። ብልፅግና ከም ገዛኢን ተወዳዳሪን ፓርቲ ክልተ ሓላፍነታት ሒዙ ናይ ምርጫ ምድላው ይገብር ከምዘሎ ዝገለፁ ናይቲ ፓርቲ ሓላፊ ክፍሊ ምርጫ ኣቶ ዛዲግ ኣብርሃ እቲ ምርጫ ኣብ ዘመናዊት ኢትዮጵያ ብመርእያነት ክዝከር ፓርቶም ብዕቱብ ክሰርሕ እዩ ኢሎም። ኣቦ መንበር ሶሻል ዴሞክራስቲክ ፓርቲ ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ብወገኖም መንግስቲ ነቲ ምርጫ ፍትሓዊ፣ ዴሞክራሲያዊን ሰላማዊን ክኸውን ክሰርሕ እየ ምባሉን ንድምፂ ህዝቢ ብፀጋ ከምዝቕበል ቃል ምእታውን ብሰናይ ከምተቐበልዎ ገሊጾም። ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ወታሃደራዊ ምንቅስቓስን ኣብ ምድላው ምርጫ ኣሉታዊ ተፅዕኖ ምፍጣሩ ኣቦ መንበር ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ትግራይ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ገሊፆም ኣለው። ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ናይ ኢትዮጵያዊ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ \\ኢዜማ\\ ኣቶ ናትናኤል ፈለቀ ኣብቲ ምርጫ ከም ዝሳተፍ ብወግዒ ካብ ዝገልፅ ጀሚሩ ምድላዋቱ ከዋድድ ከምዝፀንሐ ሓቢሮም። ገለ ፖለቲካዊ ተንተንቲ መዕለቢ ዘይረኸበ ግጭት ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳን፣ለበዳ ኮቪድ 19፣ግዜን ቦታን እናመረፁ ዝኽሰቱ ዓሌት ተኮር መጥቓዕቲን ምምዝባልን ኣብ ዝረኣየሉ ዝካየድ ህዝባዊ ምርጫ ኣሉታዊ ተፅዕኖ ክህልዎ ይኽእል እዩ ይብሉ። ብኻልእ ወገን ኣብ ደቡብ ክልል ዝርከቡ ኣባላት ናይ ሓባር ቤት ምኽሪ ተወዳደርቲ ፓርትታት ኣብ መንጎ ገዛኢ ፓርትን መንግስትን ዘሎ ምትሕውዋስ እንተድኣ ዘይፀሪዩ ድሕሪ ኣዋርሕ ዝካየድ ምርጫ ዲሞክራሲያዊነትን ፍትሓውነትን ፀገም ክህልዎ ይኽእል እዩ ኢሎም ። ናይ ደቡብ ክልል ብልፅግና ፓርቲ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ሰላማዊን ዲሞክራሲያዊን ብዝኾነ ኣገባብ ክዛዘም ከይዲ እቲ ውድድር ፍትሓዊ ክኸውን ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ኣብ ክልል ደቡብ ናይ ዝርከቡ ቤት ምኽሪ ተወዳደርቲ ፓርትታት ኣብ ከተማ ሃዋሳ ዝተዛተዩ ክኾኑ ከለው ናይታ ሃገር ሰላም ንምርግጋፅ ኣብ ዝካየድ ፃዕሪ ተራኦም ከምዘበርክቱ ገሊፆም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%8B%B3%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%8A%A5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%8B%8B%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%B5%E1%89%83%E1%88%B5-%E1%88%9D%E1%8C%85%E1%88%9B%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B9\/5736151.html"} {"headline":"ቁጽሪ ኣብ ዞባ መተከል ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 100 ምዃኑ ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ድባጤ ወረዳ ትማሊ ብዕጡቓት ዝተቐትሉ ሰባት ልዕሊ 100 ምብፅሑን ክሳብ ሕጂ ስነስርዓተ ቀብሮም ከምዘይተፈፀመን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊፆም። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ጉባኤ ኣብቲ ክልል ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ስቪላት ዝፍፀም መጥቓዕቲ ብዝገደደ ምቕፃሉ ኣዚዩ ከምዘተሓሳሰቦ ሚ ረቡዕ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣፍሊጡ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%88%98%E1%89%B0%E1%8A%A8%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%88%9E%E1%89%B1-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-100-%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%91-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5736143.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ 'ኣባላት ላዕለዎት መሪሕነት ህውሓት ተደሚሲሶም' ክብል ኣፍሊጡ","content":"ላዕለዋይ መራሒ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝነበሩ ኣቶ ስዩም መስፍንን ኣቶ ኣባይ ፀሃየን ሓዊሱ ኣርባዕተ ሰባት ተቐቲሎም ክብሉ ሓላፊ ክፍሊ ወፍሪ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብርጋዴር ጀነራል ተስፋየ ኣያሌው ኣማስዮም ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም። ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኣቶ ስዩም መስፍን ነቲ ኵናት ምምርሖም፣እቲ ሰራዊት ካብ ቦታ ቦታ ከይንቀሳቐስ ምእዛዞምን ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኵናት ክኽፈት ምእዛዞምን እቶም ጀነራል ገሊፆም። ምስ ሓለውቶምን ወታደራዊ ኣዘዝቶምን ተደምሲሶም ካብ መንጎ ዝተባህሉ ኣባል ላዕለዋይ መራሕነት ህወሓት ዝኾኑ ኣቶ ኣስመላሽ ወልደስላሴን ኮነሬል ኪሮስ ሓጎስን ከምዝርከቡዎም ተሓቢሩ ኣሎ። ካልኦት ኣርባዕተ ወታደራዊ ኮነሬላትን ሓደ ስቪልን ኣብ ቁፅፅር ምውዓሎም ጀነራል ተስፋየ ኣያሌው ገሊፆም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%AA%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8B%B0%E1%88%9A%E1%88%B2%E1%88%B6%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5736127.html"} {"headline":"'ሰራዊት ሱዳን ይደፍእ ኣሎ' ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ","content":"\"ሰራዊት ሱዳን፣ ናብ ዶብ ኢትዮጵያ ኣሓይሉ ይደፍእ ከምዘሎ\" ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣፍሊጦም። ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ \"ግብሪ ሱዳን፣ ንዓለምለኻዊ ሕጊ ዝጣሓሰ እዩ\" ከምዝበሉ’ውን እቲ ዜና ጠቂሱ። \"ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘለወን ናይ ዶብ ጸገም ክሳብ ዝፈትሓ፣ ክልቲኤን ሃገራት ኣቀዲመን ብመሰረት ዝበጽሓኦ ስምምዕነት፣ ኣብ ዘዘለውኦ ቦታ ንክጸንሓ\" እቲ ቤት ዕዮ ኣዘኻኪሩ ኣሎ። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ሚኒስትራት ማይ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን፣ ቅድሚ ትማሊ ሰንበት ስሉሳዊ ኣኼባ ኣካይዶም፣ እንተኾነ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ግድብ ህዳሴ ሓድሽ መርገጺ ከምዘንጸባረቀት ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%8B%B0%E1%8D%8D%E1%8A%A5-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A2-%E1%89%83%E1%88%8D-%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-\/5734811.html"} {"headline":"ሞትን ስደትን ስቪላት ሰባት ኣብ ትግራይ (ካልኣይ ኽፋል)","content":"ኣብ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ዳይረክተርቀርኒ ኣፍሪካ ላቲሻ ባደር ኣብ ሱዳን ናብ ዝርከብ መዕቖቢ ስደተኛታት ብኣካል ከይዳ ዝርኣየቶን ካብቶም ስደተኛታት ዝሰምዓቶን ክትገልፅ ከላ መብዛሕቲኦም ዝሰነድናዮ እቶም ስደተኛታት ኣብ መጀመሪያ ሰሙናትእቲ ወግእ ኣዚዮም ዝተሃሰዩ ካብ ምዕራብ ትግራይ እዮም ኢላ። ኣዚዩ ብዙሕ ምምዝባል ሰላማዊያን ሰባት ስቪላት ኣብ ዝነብርሎም ከባቢታት ከቢድ ደብዳብ ብረት ስዒቡ ድማ መጥቓዕቲ ሰራዊት ምክልኻልን ተሓባበርቶምን እውን ሪፖርት ረኺብና ኢና ኢላ። ‘’ዘዘራረብናዮም ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ ብዙሕ ወራር\\ስርቂ\\፣ብፍላይ ፍሉይ ሓይሊ ብዝብል ሽም ዝፍለጡ ዕጡቓት ሓይልታት ፖሊስ ጎረበት ክልል ኣምሓራን ፋና ተባሂሎም ዝፅዋዑ ጉጅለ ሚሊሺያን ናይ ውልቂ መንበሪ ኣባይቲን ናይ ንግዲ ትካላትን ዘረፋ እዚ ጥራሕ ከይኮነስ ናይ ሕርሻ ፕሮጀክታት’’ትብል። ‘’ከተማታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ምስ ወዓላ ዝተሰነደ ዘይሕጋዊ ቅትለት ኣብ ምዕራብ ትግራይ ካብ ዝሰነድናዮም ገሊኦም ተርእዮታት እዮም።ኣብ ካልኦት ከባቢታት እቲ ክልል መብዛሕቲኡ ብሓይልታት ኤርትራ ተፈፂሞም ዝብሃሉ ተመሳሰልቲ መግሃስቲ ክንምርምሮ ሪፖርት ክበፅሐና ጀሚሩ ኣሎ’’ ኢላ። ከባቢ 9 ሕዳር ኣማእቲ ሰባት ዝተቐተልሉን ጭካነ ዝተምልኦ ጭፍጨፋን ኣብ ከተማ ማይ ካድራ ምፍፃሙ ዘጥራጥር ኣይኮነን ዝበለት ባደር ።‘’ካብታ ከተማ ዝሃደሙ ብዙሓት ዘዘራረብናዮም ስደተኛታት ኣማእቲ ዝሞቱ ሰባት ተተኵሱዎም ዝተቐትሉ ጥራሕ ከይኮነስ ብካራ፣ብማዕፅድን ገጀራን ተወጊኦም ወይ ተተልቲሎም ብዓይኖም ከምዝርኣዩ ገሊፆምልናኣለው።ዘዘራአብናዮም ውልቀሰባት ከምዝበሉና ክልቲኦም ብሄራት ኣምሓራን ትግራይን ከምዝተህቀትሉ እዩ።ስራሕ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትኢትዮጵያ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ።ብሰፊሑ ብሕቡራት መንግስታት ዝመራሕ ምርመራ ክካየድ ኢና ንፅውዕ ዘለና’’ ክትብል ሓቲታ። እዚ ግጭት እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዓለም ተሰሚዑ ብዘይፈልጥ ኣገባብ ኣብ ፀልማት ዝተኻየደ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን ዝበለት ላቲሺያ ባደር መብዛሕቲኦም ዘዘራረብናዮም ስደተኛታት ካብ ስድርኦም ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ ኣይሰምዑን ዘለው ክትብል ሓቢራ። ‘’ወለዲ ንደቆም ይደልዩ ሰብኡት ንኣንሽቶም ይደልዩ ድሮ ኣእምርኦም ዝተረበሹ እሞ ድማ ንዝተመዛበሉ ሰባት ኣዚዩ ኣፀጋሚ እዩ’’ ክትብል ሓቢራ። ምዕፃው ኮሚኒኬሽን ጋዜጠኛታት ስርሖም ከይሰርሑ ከልኪሉ ጥራሕ ከይኮነስ ከማና ዝበሉን ኣብቲ ክልል እንታይ ይኸውን ከምዘሎ ክስንዱ ንዝደልዩ ካልኦት ውድባትን ኣፀጋሚ ከምዝኾነ ብምግላፅ ተዋጋእቲ ወገናት ከመይ ዝበለ ሓበሬታ ክቐርብ ከምዘለዎ ኣብ ምውሳን ፌደራል መንግስቲ ብሒቱ ምሓዙ ምዃኑ ኣፀጋሚይገብሮ ኢላ። እቲ ምዕፃው ኮሚኒኬሽን ብኩሎም ተዋጋእቲ ወገናት ዝፍፀሙ መግሃስትታት ብፌደራል ሓይልታትን ተሓባባርቱን ዝፍፀም መግሃስትታት ጥራሕ ከይኮነስ ብናይ ህወሓት ሓይልታት ዝፍፀኑ መግሃስትታት ኣብ ምስናድ ተፅዕኖ ኣለዎ ክትብል ገሊፃ። እቲ ውግእ ካብ ዝጅመር ልዕሊ60 ማዕልታት ኣብቲክልል ቕትለት፣ዕንወትን ራሰያን ንብረትን ታሪኻዊ መስጊድ ኣል ነጃ ሓዊሱ ምዕናው ሓድግታትን ይፍፀም እዩ ዘሎ። ምሉእ ተሕዝቱኡ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/laetitia-bader-of-human-rights-watch-called-the-ethiopian-government-to-allow-un-lead-investigation-team-to-go-to-ethiopia-tigray-region\/5734609.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ 2.3 ሚልየን ዝግመት ህዝቢ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ 2.3 ሚልየን ዝግመት ህዝቢ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ተገሊጹ። ወሃቢ ቓል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ስተፋኒ ዱጃሪክ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብሰንኪ ግጭት ሓገዝ ዘድልዮም ተወሰኽቲ 1.3 ሚልየን ከምኡ ኣቐዲሞም ዝጸንሑን ስደተኛታት ዝርከብዎም 950 ሺሕ ሰባት ከም ዘለዉ ጠቑሱ`ሎ። መብዛሕቲኡ ሰሜናዊ ምዕራብ፡ ምብራቓውን ማእከላይን ክፋላት ክልል ትግራይ ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታን ቢሮክራሲያዊ ኣሰራርሓን ንምብጽሖም ደረታት ከምዘሎን፡ ኣብ ገለ ገጠራት`ውን ሓሓሊፉ ኩናት ከምዝስማዕ ዝጠቐሰ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ መንጎ ኣርባዕተ መዓስከራት ስደተኛታት እተን ክልተ ማለት ሒጻጽን ሺመልባን`ውን ገና ከምዘይእተዋ ሓቢሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-2-3-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%A8%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%8C%8D%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%88%85%E1%8C%B9%E1%8C%BD-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%B5%E1%88%8D%E1%8B%AE-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5733283.html"} {"headline":"ሞትን ስደትን ስቪላት ሰባት ኣብ ትግራይ(ቀዳማይ ክፋል)","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ዝበሎን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ድማ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኵናት እዩ ክብል ዝፀውዖን ግጭት ካብ ዝጅመር መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ልዕሊ 60 ማዕልታት ኣቑፂሩ ኣሎ።ብመሰረት ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታትን ካልኦት ዓለምለኸ ትካላትን ብሰንኪ እቲ ኵናት ልዕሊ 60,000 ሰባት ናብ ሱዳን ሃዲሞም በቲ ኵናት ድማ ኣሽሓት ከምዝሞቱ ይግመት። ኣብ ትግራይ ብዘካይ መቐለን ዝተወሰኑ ከባቢታትን ኣብ መብዛሕቲአን ከተማታት ዳርጋ ኩሉ ዓይነት ዝብሃል መራኸቢ ኣገባብ ተዓፂዩ ይርከብ። ይኹን እምበር ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ይርከቡ ብዘለው ሓበሬታት ኣብ ህወይትን ንብረትን ከቢድ ዕንወት ከምዝወረደ እዩ ዝግለፅ ዘሎ። ኣብዚ ኣብ ቨርጂናዮ ከባቢ Woodbridge ዝነብር ዘለኣለም ደበሶም ኣብርሃ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ኣርባዕተ ኣባላት ስድርኡ ብወታደራት ኤርትራ ከምዝተቐተሉዎ ይገልፁይ። ‘’ ኣቦይ ደበሶም ኣብርሃ፣ህይወታ ክተድሕን ካብ ከተማ ዛላንበሳዝመፀት ሓቲነይ ለምለም ተክለሃይማኖት፣ ውላዳ መብራህቱ ተስፋይን ሽማ ንግዚኡ ዝረሳዕኹዎ ኣባል ስድራይን ወታደራት ኤርትራ ኣብ እንዳ እምበይትና ፀበል ሕዳር ሚካኤል እናሰተዩ ከለው ኣብ ቅድሚ ዓባየይ ቀቲሎምዎም’’ ይብል። ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ስድርኡ ኣብ ሓዘን ተቐሚጡ ዝረኸብኩዎ ወዲ 25 ዓመት መንእሰይ ክፍለ ዮሃንስ ብርሃነ ዘጋጠሞ ይገልፅ።95 ዓመት ዓመት ዝዕድሚኦም ኣቦጎይተንኡ \/ኣቦሓጉኡ\/ ወልደገብርኤል ኣረጋ \\ወዲ ሓንታ\\ ወታደራት ኤርትራ ንኹምርታት እኽልን ሓሰርን እናቃፀሉ ንናይ ጓሎም ከባርዑ ምስ ርኣዩዎም ንምንታይ ድኣ እኽሊ ተቓፅሉ ኢሎም ብምሕታቶም ብጥይት ቀቲሎምዎም ይብል። ኣብ ደቡብ ሱዳን Danish Refugee Councilኣብ ዝተብሃለ ናይ ዴንማርክ ስደተኛታት ወኪል ብዓል ሙያ ሕጊ ኮይኑ ዝሰርሕ ክብሮም ኣለማ ኣብ ሽረ እናዳስለሰ እትነብር ሕፅይቱ ጓል 22 ዓመት ዛይድ ጎይቱኦም ሰራዊት ኢትዮጵያ ንሽረ ኣብ ዝተቖፃዘሩዎም ግዜ ናብ ገጠር ይሃድሙ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ስቪላት ብጥይት እናተተኮሶም ካብ ዝሞቱ ብዙሓት ሰባት ሓንቲ ምዃና ይገልፅ። ክልቲኦም ኩሉ ነገር ወዲኦም ኣብ እዚ ወርሒ ጥሪ ንምምርዓው ምዳልው ይገብሩ ከምዝነበሩ ክብሮም ኣካፊሉኒ ኣሎ።ናብታ ከተማ ናይ ኢትዮጵያን ናይ ኤርትራን ወታደራት ም እታዎም ብምግላፅ ካብ መን ዝተተኮሰ ከምዝቐተላ ግን ኣይንፈልጥን ኢሉ።ኣብ ሸራሮ እውን ኣዕርኽቱ ከምዝተቐተሉዎ ሽሞም እናፀርሐ ገሊፁልና ኣሎ። ወዲ 35 ዓመትን፣ወላዲ ወዲ ክልተ ዓመት ህፃንን ብዓል ሓዳርን ብርሃኑ ታደሰ ኣብ ደቡባዊ ሶባ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ዋርግባ ኣብዝተብሃለ ዞባ ትግራይ ብወታደራት ከምዝተቐለ ዓብይ ሓው ተኽላይ ታደሰ ይዛረብ። ፋጫጋማ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ናብ ዝርከብ ናይ ፌደራል ማእኸል ምርምር ሕርሻ ስርሑ ምስ ካሎት ክልተ ሰባት ብባጃጅ እናተጉዓዘ እናሃለወ ወታደራት ፌደራል ጠጠው ኣቢሎም ፈሊዮም ናብ ውሽጢ ምሸላ ወሲዶም ፀኒሖም ናብ ቅድሚ እቶም ተሳፈርቲ ወሲዶም ከምዝቐተሉዎ ይገልፅ። ‘’እዚ ሰብ እዚ ዕጡቕ ኣይኮነን፣ኣባል ናይ ዝኾነ ውድብ ኣይኮነን’’ ምስ በለ ካብቶም ሰባት ዝፈለይሉ ምኽኒያት ናይ ትግራይ ባንዴራ ዘለዎ ኽዳርን \/ቲሸርት\/ ተኸዲኑ ብምንባሩ ክኸውን ይኽእል ይብል።ሬስኡ ኣብቲ ቦታ ን23 ስዓታት ተደርቢዩ ከምዝሓደረ እውን ሓቢሩ። ናይ ትግራይ ተፀዋዒ ብልፅግና ፓርቲ ኣቶ ነብዩ ስሑል ሚካኤል፣ሓላፊ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣቶ ኣብርሃ ደስታ፣ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣቶ ኣታኽልቲ ሃይለስላሰን ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሰሜን እዚ ሜጀር ጀነራል በላይ ስዩምን ወታደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ከምዝርከቡ ብመግስታዊ ተለቪዥን ክልል ትግራይ ኣብ ዝተፈነወ መደብ ኣረጋጊፆም ኣለው። ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/the-eritrean-soldiers-and-ethiopian-troops-are-killing-civilians-in-tigray-said-mourners-who-have-said-lost-their-loved-ones\/5733203.html"} {"headline":"ውግእ ኣብ ትግራይ፣ ትርጉሙ፣ ሳዕቤናቱን መፍቲሕኡን","content":"‘አብዘን ዝሓለፋ ኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ዝተካየደ ውግእ ዘስዓቦ ናይ ህይወትን ንብረትን ጥፍኣትን ውድመትን እንታይ ከምዝመስል ብንጹር ክግምገም ኣለዎ’ ባሃላይ እዮም ኢንጂነር ግደይ ዘረአጽየን። ዶ\/ር ገላዴዎስ ኣርኣያ ግና ‘መርተዖታትን ጭብታትንስ መሊኡ’ ይብሉ። ክልቲኦም ኣጋይሽ ብዛዕባ ናይ’ቲ ሽግር አንፈት ኣፈታትሕኣ ክዛረቡ ከለው፣ ዶ\/ር ገላዴዎስ ‘መሪሕነት ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ለባም ኣማኻርቲ ኣለዎ እንተኾይኑ፣ ኣነ ባዕለይ ኣማኻሪኦም እንተዝኾን ነይረ ‘ንህወሓት ዝሓወሰ ምስ ኩሎም ሰብ እጀታ ናብ ልዝብን ዕርቂን እንተዝአትው ምመረጽኩ ነይረ’ ኢሎም። ኢንጂነር ግደይ ብተረኦም ‘ምስ ዶ\/ር ገላዴዎስ ዘቅረብዎ ዝዓዘዘ ኣንፈት ኣፈታትሓ ከምዝሰማምዕሉ፣ ህወሓት ኣካል እቲ ፍታሕ ንክኾን ናብ መኣዲ ልዝብ ይተሓወስ ንዝብል ሪኢቶ ግና ከምዝቃወሙ’ ጠቂሶም። ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ውግእ ልዕሊ ክልተ ወርሒ ኮይንዎ ኣሎ። ዶ\/ር ገላዴዎስ አርአያ 'ኣብ'ቲ ውግእ ንሰላማዊያን ሰባት ኮነ ኢልካ መጥቃዕቲ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ብተወንጫፊን ከምዝተፈጸመ፣ ዘረፋ ዓበይቲን ናእሽቱን ትካላት ብሰራዊት ኤርትራ ከይተረፈ ከምዝተፈጸመ' ገሊጾም። ኢንጂነር ግደይ ዘረአጽየን ብወገኖም 'ሰራዊት ኤርትራ ኣብ'ቲ ውግእ ከምዝተሳተፈን ከምዝድግፍዎን፣ ጠንቂ እቲ ውግእ ህወሓት ዝመርሖ መንግስቲ ትግራይ፣ ንኤርትራ፣ ማእከላይ መንግስቲን ክልል ኣምሓራን ከምጸላኢ ገይሩ ዝገለጾም ስለዝኾነ፣ እዞም ሓይልታት ኣብ'ቲ ውግእ ምስታፎም ዘግርም ኣይኮነን' ምባሎም ዝዝከር እዩ። No media source currently available No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/doctor-ghelawdewos-araya-engineer-gidey-zeratsion-tigray-war-conflict-solution-\/5731910.html"} {"headline":"ተጋሩን ፈተውቶምን ዓለምለካዊ ሰልፊ ተቃውሞ ኣካይዶም","content":"ሎሚ ዓርቢ 8 ጥሪ,2021 አብ ዝተፈላለያ ኩርናዓት ዓለም አብ ዝርከባ ዓበይቲ ከተማታት ኣውሮጳ: ኣሜሪካ እስራኤልን አውስትራልያን ኣብ ትግራይ ንዝካየድ ዘሎ ውግእ ብምቅዋም ሰልፊታት ተካይዶም:: ካብ ስቶኮልም ሽወደን: ሆላንድ ኣሜሪካን ንዝተረከቡ ሪፖርታት ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%8C%8B%E1%88%A9%E1%8A%95-%E1%8D%88%E1%89%B0%E1%8B%8D%E1%89%B6%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%89%B0%E1%89%83%E1%8B%8D%E1%88%9E-%E1%8A%A3%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D\/5730478.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ ህይወት ኣብ ከተማታት አላማጣ:መኾኒን መቐለን ናብ ንቡር ይምለስ ምህላው ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ደቡባዊ ትግራይ ከተማታት ኣላማጣን መኾንን፡ ከምኡ`ውን ኣብ ከተማ መቐለ፡ ህይወት ናብ ንቡር ይምለስ ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ወሃቢ-ቓል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ካብ ኒው ዮርክ ብመሰረት ኣብቲ ከባቢ ዝኣተዉ ትካላት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት፡ ከም ኤለክትሪክን ተሌኮሚንኬሽንን ዝበሉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ዳግም ጀሚሮም ኣለዉ፡ ከምኡ`ውን ካብቲ ከባቢ ተፈናቒሎም ዝነበሩ ሰባት ተመሊሶም ወይ ድማ ይምለሱ ኣለዉ ኢሉ። እንተኾነ መብዛሕቲኡ ንብረቶም ወይ ተዘሚቱ ወይ ዓንዩ`ዩ ይብል። ኣተሓሒዙ ብውሕዱ 90 ሺሕ ሰባት በቲ ግጭት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ከም ዘለዉ ሰበስልጣን`ቲ ክልል ትግራይ ይግምቱ ይብል። ናብቲ ከባቢ ዝተዋፈሩ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ሕጽረት ቀረባት መግቢ ከምዘሎን ኣብቲ ከባቢ ዝፈሪ ጥራይ ከምዘሎን ንሱ ብክባር ከምዝሽየጥን ይገልጹ። ኣስዒቦም ሆስፒታላት:ኣብያተ ጽሕፈት ዝረከቦም ብዙሓት ህንጻታት ስለዝተዘምቱን ዝዓነዉን ትሕተ-ቅርጽታት`ውን ናብ ቦትኦም ክምለሱ ይግባእ ይብሉ ። ነዚ ሓበሬታ ትማሊ ኣብ ኒው ዮርክ ንጋዜጠኛታት ዝሓበረ ወሃቢ-ቓል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መወዳእታ ዘርብኡ፡ ብጾትና ናብ ኩሉ ከባብታት ክልል ትግራይ ኣትዮም ሰብኣዊ ሓገዝ ከቕርቡ፡ ዘይተደረተ መንገዲ ክኽፈተሎም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጽምዶና ቀጺልና ኣለና ኢሉ። ምስ መንግስቲ እናተወሃሃደ ዝሰርሕ ክልተ ተልኮታት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ዝሓለፈ ታሕሳስ 20 ኣብቲ ቦታ ምእታዉ ይፍለጥ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%88%85%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8C%A3-%E1%88%98%E1%8A%BE%E1%8A%92%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%89%A1%E1%88%AD-%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%88%88%E1%88%B5-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5730346.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ: ኣቶ ስብሃት ነጋን ካልኦት ኣርባዕተ አባላት ኣመራርሓ ሕወሓት ምእሳሮም ገሊጹ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀንዲ ቅያሲ ስትራተጂ ጥፍኣት ንዝበሎ ስብሃት ነጋ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘውዓለ ኣፍሊጡ። ንሓላፊ መምርሒ ወፍሪ ብሪጋደር ጀነራል ተስፋየ ኣያሌው ዝጠቐሰ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ከም ዝበሎ፡ኣቶ ስብሓት ነጋ ዝረክብዎም ካልኦት ኣባላት ኣመራርሓ ሕወሓት ተታሒዞም ኣለዉ። ስብሓት ነጋ ካብ ዝተሓብኣሉ ኣዝዩ ንወዲ ሰብ ኣጸጋሚ ዝኾነ ሽንጥሮ ጸድፊ ብኣካላት ጸጥታ ክትሓዝ ከም ዝኸኣለ`ውን ንኢዚኣ ዝገለጸ ብሪጋደር ጀነራል ተስፋዬ፡ ኣባላት`ቲ ጉጅለ ንስብሓት ነጋ ተሰኪሞም ኣብ ጸቢብ ሽንጥሮ ብምእታው ሓቢኦሞ ከም ዝጸንሑ ጠቒሱ`ሎ። በዓልቲ ቤት ስብሓት ነጋ ሌተና ኮነሌል ጻዕዱ ሪች'ውን ኣብቲ እዋን ምትሓዛ ኣፍሊጡ'ሎ። ካብ ምክልኻል ከዲዖም ዝነበሩ ዝበሎም ኮ\/ሌ ክንፈ ታደሰ፡ ኮ\/ሌ የማነ ካሕሳይ፡ዝርከብዎም ካልኦት `ውን ከምዝተማረኹ ኣፍሊጡ`ሎ። ብዘይካ`ዚ በዓልቲ ቤት መጀር ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ ዝነበረትን፡ ኣብ ኣመሪካ ክትነብር ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምምላስ ናብቲ ጉጅለ ሕወሓት ዝተጸንበረት ወ\/ሮ ኣልጋነሽ መልስ፡ ኣብቲ ናይ ምሓዝ ኦፐረሽን ክተምልጥ ክትብል ናብ ጸድፊ ብምእታዋ ህይወታ ከም ዝሓለፈ፡ ንብርጋደር ጀነራል ተስፋየ ኣያለው ዝጠቐሰ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ጸብጺቡ`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%88%B5%E1%89%A5%E1%88%83%E1%89%B5-%E1%8A%90%E1%8C%8B%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A6%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%AD%E1%89%A3%E1%8B%95%E1%89%B0-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%AD%E1%88%93-%E1%88%95%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%88%B3%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5730333.html"} {"headline":"ም\/ኣቦመንበር ሉኣላዊ ባይቶ ሱዳን ኣብ ኤርትራ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ አካይዶም: ናብ ሃገሮም ተመሊሶም","content":"ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሎሚ 8 ጥሪ,2021 ንምኽትል ኣቦመንበር ሉኣላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደያሎ ኣብ ቤተመንግስቲ ተቐቢሉ ኣዘራሪብዎ።ኣብቲ ርክብ ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ከምዝተዘራረቡን ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ስምሞዕ ከምዝበጽሑን ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ገሊጹ። ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደያሎ ዝተመረሐ ልዕለዋይ ልኡኽ ሱዳን ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ ንኣብ ኣስመራ ዝገበሮ ናይ ሓደ መዓልቲ ዝገበሮ ምብጻሕ ፈጺሙ ኣብ ዝተመልሰሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዖስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚዳንት የማነ ገብረእብን ተቐቢሎም ከምዘፋነውዎም እቲ ዜና ሓቢሩ'ሎ ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A6%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%88%89%E1%8A%A3%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%8A%E1%88%B6%E1%88%9D\/5730132.html"} {"headline":"ብዛዕባ ልደት ምስ ርእሰ-ደብር ኣፈወርቂ ገብረኣምላኽ","content":"ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን በዓለ ልደት ምስ ግዜ ብዝሳነ ኣገባብ ክኽበር ውዒሉ 'ሎ። መራሕቲ ሃይማኖት'ውን ቡራኬኦም ካብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ሂቦም ኣለዉ ። ካብ መንጎኦም ሓደ ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ ንዳርጋ ዓመት ዝኣክል ብለበዳ ኮሮና፡ መንገዲ ተዓጽዮም ዝጸንሑ ሊቀ-ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ መንግስተኣብ ተስፋማርያም ናብ ኣስመራ ድሕሪ ምምላሶም ዘሕለፍዎ ናይ ልደት መልእኽቲ'ውን ኣሎ። ብኻልእ ወገን ካብዚ ካብ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ ድማ ፡ ንርእሰ ኣድባር ኣፈወርቂ ገብረኣምላኽ ቆሞስ ደብረ ሰላም ቅዱስ ሚካኤል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ብዛዕባ ልደተ ክርስቶስ ባርኾቶም ክህቡ ኣዘራሪብናዮም ኣለና ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%8B%9B%E1%8B%95%E1%89%A3-%E1%88%8D%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%88%B0-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%8A%BD\/5729008.html"} {"headline":"ፍሉይ ክእለትን ቅልጣፈን ዝውንን በዓል ሞያ ምሕራድ(ምጥባሕ)ናይ ሕሩድ እንስሳታት","content":"ሳሚኤል ሓጎስ ኣብ 40ታት ዝረከብ ኣብ ምሕራድ ከብትን ካልኦት ናይ መግቢ እንስሳታትን ዝነጥፍ በዓል ሞያ’ዩ።ነቲ ስራሕ ገና ወዲ 12 ዓመት ከሎ’ዩ ጀሚርዎ። ኣብቲ ሞያ ብዝውንኖ ቅልጣፈ፡ ጽፈትን ፍሉይ ክእለትን ከኣ ብዙሓት ዓማዊል ከጥሪ ከምዝኸኣለ ይዛረብ። ንከብቲ ካብ 15- 40 ደቓይቕ፡ንደርሆን ማንቲለን ኣብ ውሽጢ 5 ደቓይቕ ከምዝውድእ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበሮ ጻንሖት ገሊጹ’ሎ። ሳሚአል ንኣሰራርሓን ዓይነትን ናይ ሞያ ምሕራድ ብምግላጽ ይጅምር። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%8D%E1%88%89%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%8A%A5%E1%88%88%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%89%85%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8D%88%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%8B%8D%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%88%9E%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%88%AB%E1%8B%B5(%E1%88%9D%E1%8C%A5%E1%89%A3%E1%88%95)%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%95%E1%88%A9%E1%8B%B5-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%88%B3%E1%89%B3%E1%89%B5-\/5729084.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ቀቲለዮምን ማሪኸዮምን ንዝብሎም ኣባላት ህወሓት’ ገሊጹ","content":"ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ (ኢዜአ) ሎሚ ዝዘርገሖ ዜና ‘ንሰሜን እዝ ኣብ ውሽጢ 45 ደቂቃ ብመብረቃዊ መጥቃዕቲ ካብ ጥቅሚ ወጻኢ ገይርናዮ' ዝበለ ‘ወሃቢ ቃል’ ዝነበረ ንዝብሎ ሰኩቱሬ ጌታቸው ሓዊሱ ኣርባዕተ ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ከምዝተቐትሉን ትሸዓተ ካልኦት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝዋዓሉን ሓቢሩ። ንብርጋዴር ጀነራል ተስፋዬ አያሌው ዝጠቅስ ኢዜአ ‘ሴኩቱሬ ጌታቸው ምስ ሓላፊ ቴለቭዥን ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኣቶ ዘርኣይ አስገዶም፣ ኣካያዲ ስራሕ ድምጺ ወያነ ዝነበሩ ኣቶ ኣበበ ገ\/መድህን፣ ሓላፊ ቢሮ ፋይናንስ ዝነበሩ ኣቶ ዳንኤል አሰፋ ተቀቲሎም’ ይብል። ኢዜአ ብዘይካ'ዚ፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ’ቲ ክልል ዝነበራ ወ\/ሮ ቅዱሳን ነጋ፣ ሓላፊ ማረት ዝነበሩ ኣቶ ተክለወይን አስፋ፣ ሓላፊ ቢሮ ንግዲ ዝነበሩ ኣቶ ገብረመድህን ተወልደ፣ ሓላፊ ቢሮ ትራንስፖርት ዝነበሩ ኣቶ ወልደጊዮርጊስ ደስታ፣ ኣብ ሱዳን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኣምባሳደር ኣባዲ ዘሞ፣ ፕረዚደንት አመራርሓ አካዳሚ መለስን ሓላፊ ቦርድ ኢፈርትን ዝነበሩ ኣቶ ቴዎድሮስ ሓጎስ፣ ኣማኻሪት ሕጊ ቤት ምክሪ ዝነበራ ወ\/ሮ ምህረት ተኽላይን ሓላፊ ግዝኢት ንብረት ዝነበሩ ኣቶ ብርሃነ አደም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ውዒሎም ይብል ። እንተኾነ ካብ ህወሓት ዝተዋሃበ ግብረ መልሲ ወይካኣ መረጋገጺ ኣብ ኢድና ኣይበጽሐን ከምኡውን ካብ ናጻ ወገን መረጋገጺ ይኹን ከምዘይተፈጸመ ሓባሪ ነገር ኣይረኸብናን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%80%E1%89%B2%E1%88%88%E1%8B%AE%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%88%9B%E1%88%AA%E1%8A%B8%E1%8B%AE%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9-\/5729029.html"} {"headline":"ሱዳን ምስ እስራኤል ዘለዋ ዝምድና ናብ ንቡር ምምላሱ ዝገልጽ ስምምዕ ፈሪማ","content":"ሱዳን፣ ነቲ ‘ውዕል አብራሃም’ ተባሂሉ ዝተገለጸን ምስ እስራኤል ዲፕሎማስያዊ ርክብ ናብ ንቡር ንክምለስ ዝጽውዕ ውዕል ብወግዒ ከምዝፈረመትሉ ተገሊጹ። እቲ ታሪኻዊ ሰነድ፣ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ተጽሪ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ካርቱም ተረኺቦም ዝፈረሙ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሜሪካ ስቲቭን ሙይንችን ክኾኑ ከለው፣ ብወገን ሱዳን ድማ ሚኒስትር ፍትሒ ነስረዲን ዓብደልባሪ እዮም። ሚኒስትር ፍትሒ ሱዳን ነስረዲን ዓብደልባሪ \"እስራኤል ምስ ጎረባብታ ሃገራት ዓረብ ምቅርራባ ዘህጉስ እዩ፣ ሱዳን ድማ ነቲ ጽምዶ ኣብ ረብሓኣ ክተውዕሎ እያ\" ኢሎም። ሚኒስትር ገንዘብ ኣሜሪካ ስቲቭን ምዩንችን ብወገኖም \"ኣብ ካርቱም ምርካበይ ዓብዪ ክብሪ እዩ፣ እቲ ውዕል ንህዝቢታት ሱዳንን እስራኤልን ዝላዓለ ረብሓ ከርክበሎም’ዩ\" ከምዝበሉ እቲ ዜና ሓቢሩ። 'ውዕል ኣብራሃም'፣ ኣሜሪካ ዝመወለቶን እስራኤል ምስ ሕቡራት ዓረብ ኢማረት፣ ባህረይን ሎሚ ድማ ምስ ሱዳንን ዲፕሎማስያዊ ጽምዶ ናብ ንቡር ዝመለሰ እዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A5%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%8A%A4%E1%88%8D-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8B-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%8A%93-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%89%A1%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%B1-%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%BD-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%8D%88%E1%88%AA%E1%88%9B\/5729023.html"} {"headline":"ተመራጺ ፕረ.ጆ ባይደን መዝነት ምስሓዘ ንገለ ሕግታት ኢምግሬሽን ፕረ.ትራምፕ ክቕይሮ ትጽቢት ይግበር","content":"ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ዝተዓወተ ጆ ባይደን፡ ኣብ ዋይት ሃውስ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ካብቶም ፕረዚደንት ትራምፕ ዘውጽኦም ኣሰሓሓብቲ ናይ ኢሚግረሽን ፖሊሲታት ንገሊኦም ክቕይሮም ምዃኑ ትጽቢት ይግበር ኣሎ። ባይደን ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት፡ ኣብ ጉዳይ ሓተቲ ዑቕባ ከምኡ'ውን ኣብ ጉዳይ ምሕረትን ምጥራዝን ፍልሰተኛታት ዘለዎ መደብ ብዝምልከት ዝካየዶ ቃለ ምልልስ ነዚ ይመስል። ፕረዚደንት ትራምፕ ከተግብሮምን ክደፍኣሎምን ካብ ዝጸንሐ ፖሊሲታት ገሊኦም፡ እገዳታት መገሻ፡ ምድራት ዑቕባን እገዳ ምቕባል ስደተኛታትን፡ ከምኡ'ውን ምስራዝ ዳካ ማለት ምስራዝ ሓለዋ ብዘይሕጊ ዝኣተዉ ቆልዑት ዝብሉ ይርከብዎም። እዞም ፖሊሲታት'ዚኣቶም'ዮም ድሕሪ ሓደ ወርሒ ሓዲሽ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዝኸውን ጆ ባይደን ክግልብጦም ኣንቂዱ ዘሎ። ተንተንቲ እዚ ዝመጽእ ፕረዚደንት ነቶም ናይ ትራምፕ ፖሊሲታት ኢሚግረሽን ንምቕያር ፕረዚደንታዊ መሰሉ ክጥቀም'ዩ ይብሉ ። ማውሪን ስዊኒ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መሪላንድ ክፍሊ ሕጊ ፕሮፈሰር ኢሚግረሽን'ያ ። \"ኩሎም ፕረዚደንት ትራምፕ በይኑ ዘውጽኦም መምርሕታት፡ ብበይናዊ ውሳነ ክዕጸፉ ይኽእሉ'ዮም።ንኣብነት እቲ ብትራምፕ ዝወጸ ናይ መገሻ እገዳታት ክተርፍ ይኽእል'ዩ። ከምኡ'ውን እቲ ቁጽሪ ስደተኛታት ዝድርት ሕጊ ብኡ ንብኡ ዝቕየር ይመስለኒ። እዚ ብንጹር ኣብ ኢድ ስልጣን ፕረዚደንት ዘሎ ሓላፍነት'ዩ። \" ፕረዚ​ደንት ትራምፕ ፥ ፕሮግራም ዳካ ንኸብቅዕ ክገብሮ ዝጸንሐ ጻዕሪ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመት ስልጣኑ ገዚፍ ተቓውሞታት ከለዓዕል ዝጸንሐ'ዩ። ዳካ እንግሊዝኛ ምሕጻረ ቃል ኮይኑ፣ ትሕቲ ዕድመ ኮይኖም ብዘይፍቓድ ናብ ኣመሪካ ዝኣተዉ ቆልዑ፡ ንከይስጎጉ ሓለዋ ንክህቦም ኣብ ግዜ ምምሕዳር ኦባማ ዝወጸ ፕሮግራም'ዩ። “ ግልጺ ንምግባር ፍልሰተኛታት ክንቅበል ኢና\" ፕረ. ትራምፕ፡ ነቲ ንቆልዑት ጽላል ዝህብ ፕሮግራም ዳካ፡\" ዘይሕጋዊ ምሕረት\" ክብል'ዩ ዝጽውዖ- ግን ኮንግረስ ሓደ ሕጊ ዘውጽእ እንተኾይኑ ንተረባሕቲ ዳካ ክሕግዝ እኽእል'የ ይብል። ፕረ. ትራምፕ \"ነዞም ሰባት ፍቕሪ ኣለኒ። ተስፋ እገብር ኮንግረስ ክሕግዞምን በቲ ዝግባእ ክገብሮን\" ይብል ትራምፕ። እንተኾነ ኮንግረስ ማለት ባይቶ ኣሜሪካ'ውን ስጉምቲ ኣይወሰደን- ስለዚ ዕድል ዳካ ኣብ ቤት ፍርዲ'ዩ ኮለል ክብል ጸኒሑ። ዳሕራዋይ ዝወጸ ብይን ቤት ፍርዲ፡ ትካላት ኢሚግረሽን ኣሜሪካ ነቲ ፕሮግራም ዳካ ምሉእ ንምሉእ ናብ ቦትኡ ክመልስኦ ዝእዝዝ'ዩ። ንፕሮግራም ዳካ ዝቃወሙ ግን ኣብ ቤት ፍርዲ ምክርኻሮም ክቕጽሉ ምዃኖም ይገልጹ። ንኹሉ ዝተሓላለኸ መምርሕታት ኢሚግረሽን በበትኡ ንምትሓዝ ግዜ ክወስድ'ዩ ትብል ፕሮፈሰር ማውሪን ስዊኒ። “ብፍላይ ንሓተቲ ዑቕባ ዝምልከት ፖሊሲታት ምምሕዳር ትራምፕ ንምትዕርራይ ከቢድን ዝተሓላለኸን ጉዳይ ከምዝኸውን'ዩ ዝርኣየኒ።” ፕረዚደንት ትራምፕ፥ ኣካል ናይቲ ምስ መክሲኮ ዘሎ ዶብ ንምቁጽፃርን ዘይሕጋዊ ፍልሰት ንምዕጋትን ዝኣተዎ ቃል፥ ፡MPP ተባሂሉ ዝፍለጥ ፕሮቶኮል ሓለዋ ፍልሰተኛታት ፈጢሩ'ዩ። እቲ ፕሮቶኮል፡ ስደተኛታት ናይ ኢምግረሽን ጉዳዮም ኣብ ቤት ፍርዲ ክሳብ ዝርአ ኣብ ከተማታት ዶብ መክሲኮ ክጸንሑ ዝገብር'ዩ። ሕጂ ነዚ ፕሮቶኮል ቀይርካ ብኻልእ ንምትካእ ቀሊል ከምዘይከውን'ዩ ክኢላታት ዝገልጹ። ሳራ ፒርስ፡ ኣብ ትካል ፖሊሲ ማይግረሽን ተንታኒት'ያ: ንሳ “ ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ቀስ ኢልካ ዝኽየድ'ዩ ዝመስለኒ። ርግጽ'ዩ ኣብ እዋን'ዚ ሓዲሽ ምምሕዳር ንፍልሰተኛታት ኣብቲ ኣብ MPP ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓለዋ ሓተቲ ዑቕባ ወይ ኣብ መክሲኮ ክጸንሑ ሓደሽቲ ዝምዝገቡ ኣይመስለንን \" ትብል። ደገፍቲ ፖሊሲ ኢሚግረሽን ፕረዚ​ደንት ትራምፕ ግን፡ እቲ ዝተገብረ ለውጢ ኣድላይ'ዩ ኔሩ ይብሉ። ኣቐዲሙ ናብ ዝነበረ ፕሮግራማት ብምምላስ ትሕዝትኡ ብኮንግረስ ክርኣይ'ዩ ዝፍትን ኔሩ ክብል ንትራምፕ ደገፎም ይገልጹ። ብኻልእ ወገን ኣብ እዋን ፕረዚ​ደንት ትራምፕ ኣብ ታሪኽ ዝተሓተ ምቕባል ስደተኛታት በጺሑ ዝነበረ ፕሮግራም ስደተኛታት፡ ኣብ ግዜ ምምሕዳር ጆ ባይደን ናብ 125 ሺሕ ደረት ክብ ክብል ባይደን ቃል ኣትዩ'ሎ። እንተኾነ ብዙሕ ስራሕ ኣብ ቅድሜና'ሎ ይብሉ ተንተንቲ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጆርጅ መይሰን ኣብ ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ኢሚግረሽን ትሰርሕ ሚሸል ዋስሊን፥ ብዙሓት ኣብ ዳግመ ሰፈራ ስደተኛታት ተዋፊሮም ዝነበሩ ትካላት ተበታቲኖም'ዮም ትብል። ኣብኡ ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰባት ሕጂ ናብ ካልእ ስራሕ'ዮም ተዋፊሮም ዘለዉ ትብል ሚሸል ዋስሊን፡ ንነዊሕ እዋን ስደተኛታት ንቕበል ስለዘይነበርና ብዙሓት ነቲ ስራሕ ገዲፎሞ'ዮም ትብል። ንሳ ብምውሳኽ ስለዚ ነዘን ትካላት ዳግም ሃኒጽና ካብቲ ዝነበርኦ ንላዕሊ ክነሐይለን ኣለና ትብል ። ተንተንቲ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንኤኮኖሚ ኣመሪካ ምድኻሙን ህይወት ኣመሪካውያን ምውሳዱን ስለዝቐጸለ፡ ኢሚግረሽን ንተመራጺ ፕረዚደንት ባይደን'ውን ቀዳማይ ዝጥምቶ ኣጀንዳ ኣይክኸውንን'ዩ ይብሉ ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%AB%E1%8C%BA-%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8C%86-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%8B%B0%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%93%E1%8B%98-%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%88%88-%E1%88%95%E1%8C%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%88%AC%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%88%9D%E1%8D%95-%E1%8A%AD%E1%89%95%E1%8B%AD%E1%88%AE-%E1%89%B5%E1%8C%BD%E1%89%A2%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8C%8D%E1%89%A0%E1%88%AD\/5728811.html"} {"headline":"ዓለምለኸ ኮሚቴ  ህይወት ኣድሕን ምስ ሰብ ስልጣን ሱዳን ብምትሕብባር ሓገዝ ንኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ንምብጻሕ ይሰርሕ ምህላው ገሊጹ","content":"ካብ ግጭት ክልል ትግራይ ዝሃድሙ ተወሰኽቲ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ምብራቕ ሱዳን ምእታዎም ዓለምለኸ ኮሚቴ ህይወት ኣድሕን(IRC) ኣፍሊጡ። ንኣዴታትን ህጻናትን ንምክልኻል ቕልጡፍ ምላሽ ይወሃብ ከምዘሎ እውን ሓቢሩ ። ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተፈጥረ ግጭት ልዕሊ 60,000 ስደተኛታት ናብ ምብራቕ ሱዳን ሃዲሞም ኣለው።ዓለምለኸ ኮሚቴ ህይወት ኣድሕን ምስ ሰበስልጣን ሱዳን ብሓባር ኣብ ኡም ራኩባ ካምፕ 265 መፀለሊ ድኳናት ተተኺሎምን : ተንትባ ዝተባህለ ሓዱሽ መዕቖቢ ስደተኛታት ተወሰኽቲ ህፁፅ ኣገልግሎታት ንምቕራብ ምህላዎም ገሊጾም። ኣብ ምብራቕ ደቡብ ሱዳን ዳይሬክተር ህፁፅ ሓገዝ ካሮላይን ካናይዛ እቲ ድልየት ኣዚዩ ዝልዓለ እቲ ቦታ ርሑቕ ምስ ምዃኑ ድማ ናብቶም ካምፕታት ዘድልዩ ነገራት ንምግዓዝ ቅልጡፍ ኣይኮነን ኢለን። ብዝለዓለ ናይ ስነልቦና ቅልውላው ንዝሳቐዩ ቆልዑት ናይ ሓለዋ ፕሮግራም ይትግብር ከምዘሎ እቲ ኮሚቴ ገሊፁ ኣሎ። ደቂ ኣንስትዮ፣ኣዋልድን ህጻናትን በቲ ግጭትን ሓደጋን ብዝለዓለ ይጥቅዑ። “ንደቂ ኣንስትዮ እናፈለና ኣገልግሎት ሓለዋ ሳይኮሎጂያዊን ፆታ መሰረት ዝገበሩ መጥቓዕትታትን ናይ ምኽሪ ደገፍ ይግበር ኣሎ” ኢለን። ኣብ ክልል ትግራይ ውግእ ካብ ዝጅመር ወርሒ ሕዳር ልዕሊ 60,000 ስደተኛታት ናብ ምብራቕ ሱዳን ተሰዲዶም እዮም።ኮሚቴ ህይወት ኣድሕን ኣብቲ ግጭት ዝተሳተፉ ኩሎም ወገናት ብቕልጡፍ ቶኽሲ ጠጠው ንምባል ክሰማምዑን ስደተኛታትን ሰራሕተኛታት ረድኤን ሓዊሱ ሰላማዊ ዜጋታት ህይወት ኣድሕን ኣገልግሎታት ክረኽቡን ውሑስ ብዝኾነ ኣገባብ ክንቅሳቐሱን ኣለዎ ክብል ፀዊዑ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B4-%E1%88%85%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%A5%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8B%AD%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5727621.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ግጭት ልዕሊ 2 ሚልዮን ሰባት ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ግጭት ካብ ዝልዓል ዳርጋ ኣስታት 2.2 ሚሊዮን ሰባት ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም: አባይቲ ፍርቂ ናይቶም ዝሃደሙ ድማ ምንዳዱ ሓደ ብዓል ስልጣን መንግስቲ ገሊፆም። ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ብፌደራል መንግስቲ ዝተሸሙ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ዝኾኑ ገብረመስቀል ካሳ ነዚ ዝሓበሩ ብመንግስቲ ንዝውነን ትግርኛ ቴሌቪዥን ትማሊ ሶሉስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል እዮም ። እዚ ኣሃዝ እዚ ቅድም ክብል ናብ ጎረቤት ሃገራት ዝሃደሙ 50, 000 ሰባት ሓዊሱ ተገሚቱ ናይ ዝነበረ 950,000 ሰባት ተመዛበልቲ ልዕሊ ዕፅፊ እዩ። ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ውግእ ካብ ዝጅመር ናብ ክልል ትግራይ ምእታው ከልኪሉ እዩ። ብዓል ስልጣን ሃገራዊ ኮሚሽን ምምሕዳር ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣቶ ምትኩ ካሳ ሎሚ ንሮይተርስ ኣብ ዝ ሃብዎ ቃል እቲ ብምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝተገለፀ ኣሃዝ ወግዓዊ ኣይኮነን ኢሎም። ኣቶ ምትኩ ካሳ ከምዝበሉዎ ሓደ 110,000 ሰባት ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ምምዝባሎምን 1.8 ሚሊዮን ሰባት ድማ ሓገዝ ዘድልዮም እዮም ኢሎም።ብዝሒ ዝተመዛበሉ ካብዚ ንላዕሊ ክኸውን ከምዝኽእል እውን ተዛሪቦም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-2-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%90%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9-\/5727508.html"} {"headline":"ናይ ኢትዮጵያ ጉዳያት እስልምና ጠቕላሊ ቤት ምኽሪ፡ ኣብ ልዕሊ መስጊድ ንጉስ ነጃሽ ዝወረደ መጥቃዕቲ ከምዝኹንን ኣፍሊጡ","content":"ናይ ኢትዮጵያ ጉዳያት እስልምና ጠቕላሊ ቤት ምኽሪ፡ ኣብ ልዕሊ ዓለምለኸ ቕርሲ ዝኾነ መስጊድ ንጉስ ነጃሽ ዝወረደ መጥቃዕቲ ከምዝኹንን ኣፍሊጡ። ነቲ መግለጺ ብጽሑፍ ዘቕረቡ፡ዋና ጸሓፊ`ቲ ቤት ምኽሪ ሸኽ ቃሲም ታጁዲን መሓመድን ሓሊፊ ሓጅን ዑምራን ዶ\/ር ጀይላን ገለታን`ዮም። ንሳቶም ኣብቲ መግለጺኦም፡ ናይቲ መስጊድ ኣካልን ስፍራ መቓብርን በቲ መጥቃዕቲ ከምዝተጎድኡን፡ ዝተፈላለዩ ሰነዳት ከምዝጠፍኡን ኣፍሊጦም። ነቲ ብዝምልከት ተሓታታይነትን ሕጊ ንክሰፍን እቲ ቤት ምኽሪ ንመንግስቲ ሕቶ ምቕራቡ`ውን ብምጥቃስ ዋና ጸሓፊ ቃሲም ከምዚ ኢሎም፡ \"ጠቕላሊ ቤት ምኽርና ኣብ ልዕሊ`ዚ ዓቢይ ቅርስን መስጊድን ኣብ ቀረባ ብዝወረደ መጥቃዕቲ ዝተሰምዖ ዓሚቕ ሓዘን ይገልጽ. በቲ ጉድኣት ኢትዮጵያውያን ኣመንቲ እስልምና ጥራይ ዘይኮኑ፡ ናይ ምሉእ ዓለም ኣመንቲ እስልምና ልቢ ጉህዩ እዩ። ጠቕላሊ ቤት ምኽርና ነዚ ፍጹም ጽዩፍን ዘሕፍርን ገበን ብጽኑዕ ይኹንን። መንግስትን ሕብረተሰብን ብምውህሃድ መንግስቲ ነዚ ነውራም ተግባር ዝፈጸሙ ኣካላት ብቕልጡፍ ናብ ፍትሒ ክቐርቡ ክገብር ሕቶና ነቕርብ ኣለና ኢሎም።\" ኣብ መስጊድ ነጃሽ ወሪዱ ዝተባህለ መጥቃዕቲ፡ ዝጸንሐ`ኳ እንተኾነ ክሳብ ሎሚ መንግስቲ ኾነ ጠቕላሊ ቤት-ምኽሪ ምስልምና ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ`ቲ ጉዳይ ከይተዛረቡ`ዮም ጸኒሖም. ነዚ ብዝምልከት እቲ ቤት ምኽሪ ብምድንጓዩ ይቕረታ ከምዝሓትት ኣፍሊጡ`ሎ። ነቲ ጉድኣት ብዝምልከት ግን፡ ካብ መንግስቲ`ውን መብርሂ ከምዘድሊ ሸኽ ቃሲም ታጁዲን መሓመድ ተዛሪቦም ኣለዉ። \"ምስ እዚ ብዝተሓሓዝ፡ ብዛዕባ'ዚ ዝወረደ ጉድኣት ትኽክለኛ መረዳእታን መብርህን ንኽህቡና፡ ንዝምልከቶም ናይ መንግስቲ ኣካላት ሕቶና እናቕረብና፡ ምላሽ ምስ ረኸብና ንህዝቢ ክነፍልጥ ኢና \"ዝበሉ ሸቕ ቃሲም፡ \"ከምኡ`ውን ንመጠን ጉድኣት`ቲ መስጊድ ዘጻሪ ፡ ካብ ዝምልከቶም ሰብ-ሞያ ሓለዋ ቅርስን ካብ ጠቕላሊ ቤት ምኽርን ዝተዋጽአ ጉጅለ ናብቲ ስፍራ ተጓዒዙ ኣብ ሓጺር ግዜ ሪፖርት ከቕርብ ኣብ ምስራሕ ንርከብ ኣለና\" ኢሎም። ብዛዕባ`ቲ ኣብ መስጊድ ነጃሽ ወሪዱ ዝተባህለ መጥቃዕቲ፡ ትማሊ ዝተሓተተ ወሃቢ-ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዲና ሙፍቲ፡ መንግስቲ ንእምነታት ክብሪ ዘለዎን፡ ሓለዋ ዝገብርን ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ንዝወረደ ዕንወት ድማ ንምትካእ`ውን ይስራሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A5%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%88%9D%E1%8A%93-%E1%8C%A0%E1%89%95%E1%88%8B%E1%88%8A-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%8C%8A%E1%8B%B5-%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%B5-%E1%8A%90%E1%8C%83%E1%88%BD-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B0-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%83%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%B9%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5727165.html"} {"headline":"መግለጺ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ","content":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ስርሑ ናጻን ገለልተኛን ብዝኾነ መንገዲ፡ ኣብ መትከላት ሰብኣዊ መሰላትን ሕግታትን ጥራይ ተመርኩሱ ስርሑ ዝፍጽም ኣካል'ዩ ክብል ኮሚሽነር'ቲ ኮሚሽን ዳንኤል በቀለ ኣፍሊጡ። ኮሚሽነር ዳንኤል በቀለ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ኮሚሽን ናጻን ዘይሻራውን ኮይኑ ክቕጽል ጻዕሪ ይካየድ ኣሎ ኢሉ። እቲ ኮሚሽን ነዚ ዝበለ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንዝተቐተለ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንደሳ ስዒቡ ዝተፈጥረ ህውከት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተፈጸመ ጥሕሰት መሰላት ውጽኢት መርመርኡ ንምፍላጥ ኣብ ዝጸውዖ መግለጺ'ዩ ። ካልኦት ዓለምለኸ ትካላት ነቲ ጉዳይ ንኽምርምርዎ ሕቶታት የልዕሉ'ዮም ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ኮሚሽነር ዳንኤል በቀለ ፥ ንሰብኣዊ መሰል ንፖለቲካዊ ረብሓ ክጥቀምሉ ዝደልዩ ዓለምለኸ ትካላት ከምዘለዉ'ውን ክዝንጋዕ የብሉን ዝብል መልእኽቲ ኣሕሊፉ'ሎ። \"ስራሕና ናጻ`ዩ ገለልተኛ`ዩ። ናይ መንግስቲ ኮነ ናይ ዝኾነ ካልእ ጉጅለታት ይኹኑ ትካላት ተጽዕኖ የብሉን። ንሕና ንሰርሖ ስራሕ፥ ብመትከላት ሰብኣዊ መሰላትን ሕግታትን ጥራይ ተመሪሕና ንሰርሖ ስለዝኾነ ናጻን ገለልተኛን እዩ ኢልና ኢና ንኣምን። ኣብዚ ዝኾነ ጥርጥር የብልናን። ስለ ዝኾነ ድማ ስራሕና ብኣህጉራዊ ትካላትን መንግስታትን ከይተረፈ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ተኣማንነት እናወሰኸ ከም ዝመጸ ክንግንዘብ ክኢልና ኣለና\" ዝበለ ዶ\/ር ዳንኤል \"እዚ ማለት ግን፥ ናይ ኮሚሽና መርመራ ካብ ዝኾነ ነቐፈታ ወይ ወቐሳ ንላዕሊ ማለት ኣይኮነን-ንሕና`ውን ምኽንያታዊ ነቐፈታን ወቐሳን ክሳብ ዝኾነ ንቕበሎ ኢና\" ኢሉ። ብኻልእ ወገን ግን ሓደ ሓደ ናይ ፖለቲካ ዕላማ ዘለዎም ወቐሳታትን ነቐፈታትን ከም ዝዝርግሑ ፍሉጥ`ዩ ኢሉ ። ዶ\/ር ዳንኤል በቀለ ኣስዒቡ ንሱ`ውን እንተኾነ ሓሳብካ ምቕራብ ናይ ዲሞክራሲ ሓደ ባህርይ ስለዝኾነ፥ ነዚ`ውን እቲ ኮሚሽን ከምዘኽብሮ ገሊጹ። እቲ ጸገም ግን ብደረጃ ሃገር ኮነ ኣብ ዓለምለኸ ደረጃ ካብኡ ንላዕሊ ዝተሓላለኸ`ዩ ኢሉ። \"ከም ትፈልጥዎ ሕጂ ዘለናዮ ዘመንን ናይ ፖለቲካ ኩነታትን፥ ኣዝዩ ዝተኻረረ ናይ ፖለቲካ ምክፍፋል ስለዝኾነ፥ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ወይ ሰባት ንሰብኣዊ መሰላት ካብ ሰብኣዊ መሰላት ወጻኢ ንፖለቲካዊ ረብሓ ይጥቀምሉ`ዮም። ስለዚ ንፖለቲካዊ ዕላምኦም ዘሰጉም እንተመሲልዎም ነቲ ናትና ውጽኢት ይድግፍዎ ዘይጠቕሞም እንተመሲልዎም ድማ ይቃወምዎ`ዮም እዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዝኾነ ዓለም ዘጋጥም ተርእዮ`ዩ ኢሉ። ምናልባት ናይ ሓደ ዲሞክራሲያዊ ሕብረተሰብ መግለጺ`ውን ክኸውን ይኽእል`ዩ።\" ይኹን`ምበር ይብል ዶ\/ር ዳንኤል፥እቲ ኮሚሽን መርመራ ኣብ ዝገበረሎም ከባብታት፥ ዝኾነ ዓለምለኻዊ ኮነ ሃገራዊ ኣካል እንተመርመረ ዝኾነ ተቓውሞ የብልናን ኢሉ። ዶ\/ር ዳንኤል በቀለ\"ንሕና እነካይዶ መርመራ ናጻን ገለልተኛን ኣብ ሓቀኛ መረዳእታ ዝተመርኮሰን`ዩ ኢልና ንኣምን`ኳ እንተኾና፥ተወሳኺ ናይ መርመራ ስራሕ ኣየድልን`ዩ ዝብል እምነት ድማ የብልናን። ናይ ወጻኢ ትካላት ይኹኑ ሚድያታት ካብቲ ንሕና እንገብሮ መርመራ ተወሳኺ መርመራ ክገብሩ ንድግፍ ኢና-ንሕና ኣብ ስራሕና ስለእንተኣማመን ።\" ካልእ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝቐረበ ሕቶ ንኣተሓሕዛ እሱራትን ክሱሳትን ክኸውን ከሎ፥ ኣብዚ`ውን ጸገም ከምዘሎ ዶ\/ር ዳንኤል ብምጥቃስ፥ ብምንጽጻር ምናልባት ኣብያተ ማእሰርቲ ኣብ ታሪኽና ካብ ዝነበረ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝሓሸ ኩነታት ኣሎ ክብሃል ዝክኣል`ኳ እንተኾነ ሕጂ`ውን ብዙሕ ዝተርፍ ነገር ኣሎ ኢሉ ። \"ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲ፥ ካብ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ወጻኢ ተኣሲሮም ዘለዉ ሰባት ከምዘለዉ ንርኢ ኢና። ናይ ዋሕስ መሰል ተፈቒድሎም ዘይተፈትሑ ብዙሓት እሱራት ከምዘለዉ`ውን ንፈልጥ ኢና። ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ብፍላይ ኣብ ከተማታት ክልላት፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ መጥቃዕቲ ዝወረዶም ሰባት`ውን የጋጥሙና`ዮም፣ ስለዚ እዚኦም ኩሎም ዘተሓሳስቡና ጉዳያት`ዮም፣ ብቐረባ ንከታተሎም ኢና- ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ምስ ሰበ-ስልጣን`ውን ክንዘራረበሉ ዝጸናሕናን ቁሩብ ውጽኢት ዝረኸብናሉን ጉዳይ`ዩ ግን ዘይተፈትሐ ጸገም`ዩ የተሓሳስበና`ዩ- ምክትታልና ክንቅጽል ኢና ኢሉ።\" ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብዝተፈላለዩ ጉጅለታት ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ንምክልኻልን ደው ንምባልን ክፍሊ ጸጥታ ዝነበሮ ተራ ከምኡ`ውን ኣገልግሎት ጥዕና ምድንጓዩ ብዝምልከት ዝነበረ ኩነታት ብዝምልከት፥ ዓቃቢ ሕግን ፖሊስን ካብ ዝገብርዎ መርመራ ወጻኢ ናጻን ገለልተኛን መርመራ`ውን ንኽግበር እቲ ኮሚሽን ሓሳብ ምቕራቡ ይዝከር`ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/v-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/5724036.html"} {"headline":"ኣብ መጥቓዕቲ ማይካድራ ስድራቤቶም ዝሰአኑ ነበርቲ ይዛረቡ","content":"ኣብ ማይካድራ ብዝበፅሐ መጥቓዕቲ ስድርኦም ዝሰኣኑ ሰባት ንማሕበራውን ቁጠባውን ቅልውላው ምቕልዖምን ጠመተ ዝገበረሎም ኣካል ከምዘየለን ተዛሪቦም ።እቶም ነበርቲ ወሲኾም ሐዚ'ውን እንተኾነ ስግኣት ከምዘለዎም ይሕብሩ። ነባሪ ማይካድራ ኣቶ መኮንን ጌታቸው ኣብታ ከተማን ከባቢኡን ዝተፈፀሙ መጥቓዕቲታት ዘይሓልፍ ስምብራት ከምዝገደፉሎም ይዛረቡ ። ብፈፀምቲ እቲ መጥቓዕቲ ኣቡኦም ከምዝተቐትሎምን ጥቅምቲ 30,2013 ሰዓት 9 ኣቢሉ ዝተጀመረ መጥቓዕቲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰላማውያን ሰባት ከምዝተጨፍጨፉ ይዛረቡ ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%88%9B%E1%8B%AD%E1%8A%AB%E1%8B%B5%E1%88%AB-%E1%88%B5%E1%8B%B5%E1%88%AB%E1%89%A4%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%88%B0%E1%8A%A0%E1%8A%91-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%AD%E1%8B%9B%E1%88%A8%E1%89%A1\/5724269.html"} {"headline":"ሰኣላይ ሮይተርስ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተአሰረ ምስ ሞያኡ ብዘይተሓሓዝ ገበን ተጠርጢሩ ምዃኑ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ከም ሰኣላይ ኮይኑ ዝሰርሕ ኩመራ ገመቹ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብፈደራል ፖሊስ ዝተታሕዘ ምስ ሞይኡ ብዘይተሓሓዝ ገበን ተጠርጢሩ ምዃኑ ፈደራል ፖሊስ ኣፍሊጡ። እቲ ንሮይተርስ ዝሰርሕ ኢትዮጵያዊ በዓል ሞያ ካመራ፥ ንድሕሪ ክልተ ሰሙን ቤት ፍርዲ ክቐርብ ምዃኑ`ውን ተሓቢሩ`ሎ። ኣብ በዓልስልጣን ብሮድካስቲንግ ኢትዮጵያ ምኽትል ዳይሬክተር ኣቶ ወንድወሰን ኣንዱኣለም ብዛዕብኡ ተሓቲቱ ክገልጽ ከሎ ፥ ንማእሰርቲ `ቲ ጋዜጠኛ ብዝምልከት ምስ ፖሊስ ከምዝተዘራረቡን ጉዳዩ ምስ ሞያ ጋዜጠኝነት ዝተተሓሓዘ ከምዘይኮነን ኣፍሊጡ። እቲ ጋዜጠኛ ሕጂ ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ተኣሲሩ ከምዝርከብን ምስ ካልኦት እሱራት ክሕወስ ከምዝደሊን ኣቶ ወንድወሰን ወሲኹ ገሊጹ። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሰራሕተኝኡ ክፋታሓሉ ክጽውዕ ጸኒሑ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%8A%A3%E1%88%8B%E1%8B%AD-%E1%88%AE%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%A0%E1%88%B0%E1%88%A8-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AB%E1%8A%A1-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%93%E1%8B%9D-%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8C%A0%E1%88%AD%E1%8C%A2%E1%88%A9-%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%91-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5724026.html"} {"headline":"`ግሎባል ኣላያንስ` ካብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ንዝተፈናቐሉ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ብር ዝግመት ሓገዝ ሂቡ","content":"`ግሎባል ኣላያንስ` ዝተባህለ ኣብ ወጻኢ ናይ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ማሕበር ዓለምለኸ ምትሕብባር መሰል ኢትዮጵያውያን ፡ ካብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ተፈናቒሎም ኣብ ዞባ መተከል ቻግኒ ንዝርከቡ ተፈናቐልቲ ልዕሊ ሓደ ሚልየን ብር ዝግመት ድጋፍ ጌሮምሎም። ተወካሊ ግሎባል ኣላያንስ ፕሮፈሰር ኣቻምየለህ ደበላ ኣብ ከተማ ቻግኒ ተረኺቡ ነቲ ሓገዝ ከበርክት ከሎ፥ እቲ ረድኤት ዝተገዝአ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ብዝተገብረ ምእካብ ገንዘብ`ዩ እዚ ድማ ንወገን ዝበጽሓሉ ወገን ስለዝኾነ`ዩ ኢሉ። ተወካሊ ክልል ኣምሓራ ብወገኑ፥ እቶም ተመዛበልቲ ናብ ቦትኦም ክሳብ ዝምለሱ፡ እቲ ሓገዝ ክቕጽል ተማሕጺኑ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%8B%E1%8B%AB%E1%8A%95%E1%88%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%A4%E1%8A%95%E1%88%BB%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%8D-%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%8B%9D-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8A%93%E1%89%90%E1%88%89-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%8C%8D%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%88%82%E1%89%A1\/5724013.html"} {"headline":"256 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተገሊጹ","content":"ባንዴራ ስጳኛ ተንበልብል ዝነበረት ሰብኣዊ ሓገዝ ወሃቢት መርከብ ትማሊ ሰንበት 256 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓና ገሊጻ። ኦፕን ኣርምስ ቻሪቲ ዝተባህለ ትካል ግብረ ሰናይ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውጽኦ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ብቕድሚ ትማሊ ቐዳም መብዛሕትኦም ካብ ኤርትራ ዝኾኑ ክልተ ደቂ ኣንስትዮን 17 ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም 96 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኑ ገሊጹ። እቲ ትካል ወሲኹ ኣቐዲሙ ቕድሚ ክልተ መዓልታት 196 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኑ ሓቢሩ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8B%E1%8B%AD-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%93%E1%8A%96%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5723916.html"} {"headline":"ውግእ ኣብ ትግራይ፣ ትርጉሙን ሳዕቤናቱን","content":"ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ውግእ ዳርጋ ክልተ ወርሒ ይኾኖ ኣሎ። ብመሰረት ዶ\/ር ገላዴዎስ አርአያ 'ኣብ'ቲ ውግእ ንሰላማዊያን ሰባት ኮነ ኢልካ መጥቃዕቲ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ብተወንጫፊን ከምዝተፈጸመ፣ ዘረፋ ዓበይቲን ናእሽቱን ትካላት ብሰራዊት ኤርትራ ከይተረፈ ከምዝተፈጸመ' ገሊጾም። ኢንጂነር ግደይ ዘረአጽየን ብወገኖም 'ሰራዊት ኤርትራ ኣብ'ቲ ውግእ ከምዝተሳተፈን ከምዝድግፍዎን፣ ጠንቂ እቲ ውግእ ህወሓት ዝመርሖ መንግስቲ ትግራይ፣ ንኤርትራ፣ ማእከላይ መንግስቲን ክልል ኣምሓራን ከምጸላኢ ገይሩ ዝገለጾም ስለዝኾነ፣ እዞም ሓይልታት ኣብ'ቲ ውግእ ምስታፎም ዘግርም ኣይኮነን' ኢሎም። ኣብ'ዚ ሓድሽ ዝኸፈትናዮ መደብ ሕቶን መልሲን ምስ ኣጋይሽ ካብ ሰማዕቲ ዝተቀበልናዮም ሕቶታት ቀሪቦም ካብ ኣጋይሽ መልሲ ተዋሂቡ አሎ። ቀዳማይ ክፋል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-tigray-war-eritrea-involvement-war-crime-destruction-looting-\/5723780.html"} {"headline":"ዕላል ሓዲሽ ዓመት ምስ ኣከፋፋሊ ቤተ መጸሓፍቲ 'ሰማያት'  መኮነን ተስፋይ","content":"ቅድሚ ሎሚ'ውን 'እዝኒ መሰታ ቀዳሞት'ትብል ብዛዕባ ኣቦታት ማሰን መልቀስን እተዘንቱ መጽሓፍ ኣበርኪቱ ኔሩ'ዩ። ሕጂ ድማ መጸሓፍቲ ኤርትራውያን ደረስቲ ኣብ ምዝርጋሕ ይነጥፍ ኣሎ። 'ቤተ መጸሓፍቲ ሰማያት' ኣብ ዙርያ ዓለም ጠለባት ዓማዊል ኣብ ምምላእ ብዕቱብ ትሰርሕ ኣላ ይብል ኣካያዲኣ መኮነን ተስፋይ። ጠለብ ኣንበብቲ ልዕሊ ትጽቢቱ ምዃኑ'ውን ይጠቅስ። ምስ መምህር መኮነን ተስፋይ ዝተገብረ ዕላል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5722669.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ሰብ ሓዳር ድምጻዊ ኢሳያስ ሳልሕን ተዋሳኢት ሄለን ተስፋይን","content":"ራሻ ብዝብል ሳጓ'ዩ ዝፍለጥ። 'ትዓብርኒ'ለኺ' ብእትብል ኣብ 2015 ዝዘርግሓ ደርፊ'ዩ ዝያዳ ጎሊሑ ወጺኡ። መንእሰይ ድምጻዊን ክራሪስታን ኢሳያስ ሳልሕ ምስ ተወሳኢት ሄለን ተስፋይ ሓዳር መስሪቶም ወዲ ተቦኪሮም ኣለዉ። ሄለን ተስፋይ ድማ ኣብ ብርክት ዝበላ ድራማታት እናዓንበበት ዝመጸት ኮይና፡ ኣብታ ኣብዚ እዋን'ዚ ትቕጽል ዘላ \"እንዳ ዝማም\" ትብል ተኸታታሊት ድራማ ከም 'ማክዳ' ኮይና ትጻወቶ ዘላ ጠባይ ድማ ዓቕማ ዘመስከረ ኮይኑ ተወሲዱላ'ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5721630.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ሽም ዝርዝር ዝተቐትሉን ዝተማረኹን ዝተባህሉ ኣባላት ጉጅለ ህወሓት ወግዓዊ ኮይኑ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ሽም ዝርዝር ብሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ብኣባላት ፌደራል ፖሊስን ዝተቐትሉን ዝተማረኹን ዝተባህሉ ኣባላት ጉጅለ ህወሓት ዕላዊ ኮይኑ። መንግስታዊ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ከምዝበሎ ንጭፍጨፋ ማይ ካድራ መሪሖም ዝተባህሉ ኮነሬል የማነ ገብረሚካኤል ሓዊሱ ሓያለ ወታደራዊ መኮነናት ተቐቲሎም ኣለው።ምክትል ሚኒስትር ሚኒስትሪ መጎዓዚያ ዝነበሩ ሙሉ ገብረእግዚኣብሄር ድማ ኢዶም ካብ መንጎ ዝሃቡ ምዃኖም ተሓቢሩ'ሎ ። ኣብ ሓይሊ ምክልኻል ኢትዮጵያ ሓላፊ ክፍሊ ወፍሪ ዝኾኑ ብርጋዴር ጀነራል ተስፋየ ኣያሌው ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ምንዳይ ተሓቢኦም ዘለው ናይ ህወሓት ሰባት ካብ ገፊሕ እናፀበበ መፂኡ ኣሎ ኢሎም።ፈቖዶ ባዕትን ኣብያተ ክርስቲያንን ተሓቢኦም ተረኺቦም፣ኣልባሳት ኣቦታት ሃይማኖት ከይተረፈ ተኸዲኖም ዝተረኸቡ እውን ኣለው ኢሎም። መንግስታዊ ዜና ቴለቪዥን ኢትዮጵያ ኢድ ኣንህብን ኢሎም ካብ መንጎ ዝተቐትሉ እውን ኮነሬል ኣለም ገብረዋህድን: ኮነሬል ቢኒያም ገብረመድህን፣ኮነሬል ተስፋየ ገብረመድህን፣ኮነሬል እምባየ፣ኮነሬል መዓሾ፣ኮነሬል ይርጋለም፣ኮነሬል ሓዱሽ፣ኮነሬል ኣፅብሃ፣ኮነሬል ዮሃንስ ካልኣዩ፣ኮነሬል ተኽለእግዚኣብሄርን፣ሌተናል ኮነሬል ብርሃነ ቶላ ካልኦት ብስም ዘይተገለፁን ኣርባዕተ ኮነሬላትን ክልተ ኣመራርሓ ዞባታትን ይርከቡዎም ኢሉ ። እዚ ብነፃ ምጭንታት ዜና ኣይተረጋገፀን፤ቦታን ግዜን እውን ኣይነፀረን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%BD%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8B%9D%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%90%E1%89%B5%E1%88%89%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%A8%E1%8A%B9%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%89-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%8D%E1%8B%93%E1%8B%8A-%E1%8A%AE%E1%8B%AD%E1%8A%91\/5721472.html"} {"headline":"ዓመተ 2020 ብልሳን ሞያውያን መንእሰያት ኤርትራ","content":"ዓመተ 2020 ዓለምና ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ብዝፈጠሮ ጥዕናውን ማሕበረ ቁጠባውን ጸገማት ዝተናወጸተሉን ዓመት እያ።እሱ ዝፈጠሮ ጸቕጢ መነባብሮን ልምድን ናይ ሕብረተሰብ ናብ ዘይንቡር ኩነታት ዝተለወጠሉን እዩ ክብሉ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ኣብ ዝተፈላለየ ሞያ ዝነጥፉ መንእሰያት ተዛሪቦም። ነቲ ሕማም ንምብዳህ ማሕበረሰብ ዓለም ናይ ሓባር ጻዕሪ ክካየድ ዝድርኸት ዓመት ከምዝኾነት'ውን እቶም መንእሰያት ወሲኾም ተዛሪቦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B0-2020-%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%88%B3%E1%8A%95-%E1%88%9E%E1%8B%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB\/5720371.html"} {"headline":"ኣብ ደቡባዊ ዞባ ትግራይ ብቢሊዮናት ዝግመት ንብረት ኢንቨስተራት ከምዝተወረረን ከምዝዓነወን ገለ ሰብ ሃፍቲ ገሊፆም","content":"ኣብ ትግራይ ኵናት ስዒቡ ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን እቲ ክልል ከቢድ ዕንወት ወሪዱ እዩ።ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብዞባ ደቡብ ትግራይ ኣብ ዘኣተወሉ እዋን ኣብ ጎልጎል ራያ ናይ ዝሰርሑ ብርክት ዝበሉ ኢንቨስተራት ከምዝተወረረን ከምዝዓነወን ዘዘራርብናዮም ሰብ ሃፍቲ ይገልፁ።ምሉእ ብምሉ ንብረቶም ከምዝዓነወ ምስ ዝገለፁልና ክልተ ኢንቨስተራት ቃለ ምልልስ ኣካይድና ኣለና።ፌደራል መንግስቲ ንዚኦም ንምሕጋዝ ዝጀመሮ ምንቅስቓስን መልሲ ሓላፊ ጊዚያዊ ቢሮ ንግዲ መልሲ ፌደራል መንግስትን ክልል ትግራይን እውን ሒዝና ኣለና።ገብረ ገብረመድህን እዩ ኣዋዲዱዎ ናብኡ ከሕልፈኩም። ብ1.5 ቢሊዮን ብር ካፒታል ዝንቀሳቐስን ብሃለቃ መጎስ ንጉሰ ዝውነንን ዘመናዊ ሕርሻ ምሉእ ብምሉ ከምዝተወረረን ከምዝዓነወን ይገልፅ ሃለቃ መጎስ።42 ዓመት ዝዕድሚኡ ሃለቃ መጎስ ኣብ ራያ ኣብ ሆቴል ሓዊሱ ኣብ ኣብ ሰፊሕ ኢንቨስትመንት ዝወፈረ ዕውት ኢንቨስተር እዩ። ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ካብ ከተማ መኾኒ ብኣንፈት ደቡባዊ ምብባዊ ምብራቕ 15 ኪሎ ሜትር ሪሑቑ ኣብ ዝርከብ ፍሉይ ሽሙ ፋጫጋማ ‘’ሃለቃ መጎስ Commerical Ranch’’ ብዝብል ዝፅዋዕ ናይ 1.5 ቢሊዮን ብር ዘመናዊን ዓብይን ናይ ሕርሻ ኢንቨስትመንት ኣለዎ። ሃለቃ መጎስ ዘመናዊ ኩለ መዳይ ሕርሻ ዝሓስብን ዝፍፅምን እዩ።እቲ Commerical Ranch ብዙሕ መዳይ ዘለዎዓውዲ እዩ።መራብሒ ኢንስሳት፣ዘመናዊ ፍሪያትፀባ ከም ቺስ፣ ክሬም፣ርግኦ፣ኣብ ትግራይ ብሕታዊት ፋብሪካ ዝኾነ ፋብሪ ቀለብ ኢንስሳት መኖ፣ምህጣር\\ምድላብ\\ ኣብዑር፣ሕርሻ፣ወዘተ ዘጠቓለለ እዩ። ኣብ ትግራይ ብዝተፈጥረ ግጭት ዝሓለፈ ሕዳር 2013 ዓ\\ም ሓይልታት ምኽልኻል ፌደራል ናብቲ ከባቢ ኣብ ዝመፅኡ ግዜ ግን ኩሉ ነገር ከምዘይነበረ ኮይኑ። ብፍላይ ግን ቅድሚ ትሽዓተ ኣዋርሕ ብሰለተ ካርጎ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 495 መልኣት ኣላሕም ካብ ሆላንድ ናብ መቐለከምዘግዓዘን እተን 236 ወሊደን እተን ዝተረፋ ድማ ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒክወልዳ ትፅቢት ይግበር ከምዝነበረን ይገልፅ።። እተን ከፍቲ ብ1.5 ሚሊዮን ዶላር ዝተግዝኣ ክኾና ከለዋ ንሰለስተ ካርጎ ነፈርቲ መጎዓዚያ መንገዲኣየር ኢትዮጵያ21 ሚሊዮን ብር ከምዝኸፈለ ይገልፅ።ደሊቦም ናብ ወፃኢ ክልኣኹ ይዳለው ዝነበሩ 376 ኣብዑር እውን እዮም ተወሪሮም።ናይ ሑመራ ዓሌት ከፍቲ ንምድቓል ዝተዳለዋ ልዕሊ 30ከፍቲ እውን ነይረን።ብጠቕላላ ልዕሊ 1,137 ክፍቲ፣ኣምራኹትን ኣቡዕርን ወሪሮምዎ። ትሽዓተ ትራክተራት ወሲዶምዎ፣ኣብ 139 ሄክትራ ዝተዘርአ ምህርቲ ኣጥፊኦምዎ፣ ገልበጥቲ መኪና፣ዶዘር፣ኤክስካቫተር፣ሓዊሱ ብዙሕ ማሽነራት እዩ ዓኒዩን ተዘሪፉን።’'ኩሉ ነገር ስለዝዓነወን ዝተወረረን እቲ ራንች ናብ ስራሕ ንምምላስ ኣፀጋሚ እዩ’'ይብል። ናይ ሃለቃ መጎስ Commerical Ranch ኣብቲ ከባቢ ዓብይ ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ ነይሩ።ሰለስተ ወፃእተኛታትን ሸውዓተ ዶክተራት ሓካይም ኢንስሳን ሓዊሱ 280 ስሩዓት ሰራሕተኛታት ነይሩዎ።ካብቲ ዝወሓደ 120 ሰብ ክሳብ 200 ሰብ ናይቲ ከባቢ ማዕልታዊ ተቖፂሮም ይሰርሑ ነይሮም ብመሰረት ሃለቃ መጎስ። ካሊእ ንብረቱ ዝዓነወን ዝተዘረፈን ዘመናዊ ሕርሻ Savana Farming PLCን AJJ Dairy Farming Production እዩ። ናይዚ ዘመናዊ ሕርሻ ወነንቲ ካብ ዝኾኑ ሓደ ኣቶ ኣበራ ጣሰው እዮም።ነባርነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዩ።ብዛዕባ ዝተዘረፈ ንብረት ብከምዚ ይገልፁዎም። ናይቲ ኩባኒያ መጠን ኢንቨስትመንት 319 ሚሊዮን ብር ከምዝኾነ ኣቶ ኣበራ ጣሰው ይገልፁ።ኣብ 457 ሄክታር መሬት ዝነበረ ዝተፈላለይ ተኽልታት፣ፍሪያት፣ 150 ናይ ፈረንጂ ከፍቲ ሸውዓተ ትራክተራትን ካልኦት መካይንን ቆርቆሮ ከይተረፈ ኩሉ ንብረት ምውሳደንከምዝተወረረ፤እተን እንስሳት ተፃዒነን ናብ ቆቦን ወልዲያን ምውሳደን ከምዝሰምዑን ገሊፆም።እቲ ኩባኒያ ስራሕ ኣብ ምፍጣር ነቲ ከባቢ ይህቦ ዝነበረ ረብሓ ዝለዓለ ምንባሩ ሓቢሮም። ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዝሓለፈ ዝሓለፈ ዓርቢ 16 ታሕሳስ 2013 ዓ\\ም ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ኢንቨስተራት ሓደ ናይ ምኽክር መድረኽ ኣዳሊዩ ነይሩ። ኣብ ምንስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ዳይረክተር ዳይረክቶሬት ዓለባን\\ጨርቃ ጨርቅን\\ ቆርበትን ኣቶ ዘሪሁን ኣበበእቲ ኣኼባ ብሓፈሻ‘’ናብ ስርሖም ክምለሱ ዘኽእል እኹል ቅድመ ኩነት ንምክያድ ዝተዳለወ ናይ ምኽክር መድረኽ እዩ’’ ኢሎም። ግዚያዊ ሓላፊ ቢሮ ንግዲ፣ኢንዱቱሪን ከተማ ልምዓትን ክልል ትግራይ ኣቶ ዮሴፍ ተስፋይ እቲ ዝወረደ ጉድኣት ብዝምልከት ቅልጢፍ ዳህሳስ ይካየድ ኣሎ ኢሎም። ኣብ ጎልጎል ራያ ጥራሕ ናይ ኣስታት 19 ኢንቨስተራት ናይ ቢሊዮናት ብር ዝግመት ንብረት ዓንዩ።ተመሪፁ ይጥቃዕ ዝነበረ ብዝመስል ኣገባብ ናይ ኩሎም ኢቨስተራት ንብረት ክዓኒ ከሎ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ክልተ ናይ ወፃኢ ኩባኒያታት ግን ኣይተጠቕዑን ብመሰረት ካብቲ ከባቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ። ምሉእ ትሕዝቱኡ ብድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/there-are-reports-of-extensive-damages-of-investments-in-southern-tigray-ethiopia-during-the-war-in-tigray\/5720258.html"} {"headline":"ተወላዶ ትግራይ ነበርቲ ከተማ ሑመራ መንነት ዘማእከለ ምትንኳልን ዘረፋ ንብረትን ይፍጸም ምህላው ገሊጾም","content":"‘ካብ ጽባሕ ኣብ ክልል ትግራይ ውግእ ዝጀመረሉ ጊዜ ኣትሒዙ፣ መንነት ዘማእከለ ምትንኳልን ዘረፋ ንብረትን ኣብ ከተማ ሑመራን ካልኦት ከተማታትን ይፍጸም ኣሎ’ ክብሉ ገለ ትግራዎት ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም። እቶም ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ተጋሩ መብዛሕተኦም ደቂ ተባዕትዮ ተጋሩ መናእሰያት፣ ንከተማ ሑመራ ገዲፎም ናብ ሱዳንን ማእከላዊ ትግራይን ከምዝሃደሙን፣ ብሰንኪ’ዚ ውግእ፣ ንቤተሰባዊን ማሕበራዊን ቅልውላው ከምኡውን ንጥምየት ተቃሊዖም ከምዘለው ይገልጹ። ኣተሓባባሪ ሰላምን ጸጥታን ጊዚያዊ ኣማሓዳሪ ሑመራ፣ ‘መከላኸሊ ሰራዊትን ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራን ነታ ከተማ ድሕሪ ምቁጽጻሩ፣ ገበናት ዘረፋ ደው ከምዝበለ፣ መንግስቲ ንድሕነት ዜጋታት ንምርግጋጽ ይሰርሕ ከምዘሎ’ ገሊጾም። ኣብዚ ሰሙን ኣብ ምዕራብ ክልል ትግራይ በጺሑ ዝተመለሰ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ገለ ነበርቲ ዳንሻ ብወገኖም ‘ብህወሓት ይፍጽሙ ዝነበሩ ጌጋታት ሎሚ’ውን ይድገሙ ኣለው’ ክብሉ ቅሬተኦም ገሊጾም’ ይብል ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B6-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%91%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%88-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8A%95%E1%8A%B3%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%88%A8%E1%8D%8B-%E1%8A%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%8D%8D%E1%8C%B8%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/5719017.html"} {"headline":"ኣባል ቤት ምኽሪ ወከልቲ  ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ዶ\/ር ኣድሃና ሃይለ ዓሪፎም","content":"ዶክተር ኣድሃና ሃይለ ብዝሓደሮም ሕማም ኣብ መበል 70 ዓመት ዕድሚኦም ከምዝዓረፉ ስድርኦም ኣፍሊጦም።ዶክተር ኣድሃና ሃይለ ኣባል ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ብምዃን የገልግሉ ከምዝነበሩን ኣባላት ህወሓት ካብቲ ቤት ምኽሪ ቅድሚ ምውፅኦም ኣብ ናይ ሕማም ፍቓድ ከምዝነበሩ ወዶም ኣቶ ብሩክ ኣድሃና ገሊፁ። ቅድም ክብል ምክትል ሚኒስትሪ ትምህርቲ ፣ቅድሚኡ ድማ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ብምዃን ኣገልጊሎም እዮም።ዶክተር ኣድሃና ሃይለ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ብመምህርነት ንነዊሕ ዓመታት ምግልጋሎም ውን ይፍለጥ ። ዶክተር ኣድሃና ሃይለ ኣብ ደቡባዊ ክልል ትግራይ፣ወረዳ ራያ ዓዘቦ ፍሉይ ሽሙ ጋራርሳ ኣብ 1943 ዓ\\ም እዩ ተወሊዱ።ኣቦ ኣርባዕተ ቆልዑት በዓል ሓዳርን እዮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8B%88%E1%8A%A8%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A9-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%8B%B5%E1%88%83%E1%8A%93-%E1%88%83%E1%8B%AD%E1%88%88-%E1%8B%93%E1%88%AA%E1%8D%8E%E1%88%9D\/5718931.html"} {"headline":"'ናብ ሃገረይ ክምለስ ኣይደልይን' ካብ ክልል ትግራይ ናብ ሱዳን ዝሃደመ ስደተኛ","content":"ኣስታት ክልተ ወርሒ ኣቑጺሩ ዘሎ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብዙሓት ንስደትን ሞትን ምቕልዑ ይቅፅል ኣሎ ። ኣብ ሓደ ንእሽተይ ክሊኒክ ዝሰርሕ ንርእሱ 'ውን በቲ ኲናት ተሰዲዱ ሱዳን ዝኣተወ ዶክተር ውፅዒት ናይቲ ኲናት ብፋስ ዝተፈግኡን ብካራ ዝተወግኡን ቁሱላት ሰባት ሕክምናዊ ኣገልግሎት ከምዝሃቦም፤ ካብ ሓደጋ ንምምላጥ ድማ መዓልታት ብዝወሰደ ጉዕዞ ኣዕጋሮም ዝቆሰሉ ሰባት ከምዝተዓዘበን ይዛረብ ። ኣብ ቀረባ እዋን ዝመፀ 54 ዓመት ዝዕድሚኡ ሃናፂ ጉዑሽ ተስላ እቲ ዝተሰብረ እግሩ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ረኺቡ ኣሎ ። ሓደሽቲ ምዕባለታት ፍፃመ ዜና ድማ የዘንትው ። 250 ዝኾኑ መናእሰይ ዓዲ ኣሰር ካብ ዝተባህለት ንእሽተይ መንደር ብሓይልታት ኤርትራ ተዓፊኖም ተወሲዶም ኣበይ ከምዝኣተዉ ኣይፍለጥን ። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር'ውን ኣብታ ተወሊዱ ዝዓበየላ ከተማ ራውያን ሬሳ ሰባት ብኣኽላባት ክብላዕ ከምዝረኣየ ይዛረብ ። ብድሕሪ'ዚ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ተቀጥቂጡ ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ዶብ ሑመራ ወሲዶም ደርብዮሚኒ ይብል። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%A8%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%88%88%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8B%B0%E1%88%8D%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8B%9D-%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%98-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B\/5717671.html"} {"headline":"'ህወሓት ከምዘየንሳህርር ኮይኑ ተሓምሺሹ'  ሓላፊ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ  ጀነራል ብርሃኑ ጁላ","content":"ህወሓት ከምዘየንሳህርር ኮይኑ ተሓምሺሹ ክብሉ ሓላፊ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ተዛሪቦም። እቶም ጀንራል ነዚ ዝተዛረቡ ኣብ ክልል ትግራይ ይካየድ ዘሎ ኵናት ሎሚ እውን ጠጠው ከምዘይበለ ዝገልፁ ገለ ርእይቶታት ኣብ ዝሃብዎ መልሲ እዩ ። ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልታት እቲ ኵናት ኣብ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ከምዝቐፀለ ብተኸታታሊ ናይ ቲዊተር መልእቲ ዘርጊሖም እዮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%A8%E1%8A%95%E1%88%B3%E1%88%85%E1%88%AD%E1%88%AD-%E1%8A%AE%E1%8B%AD%E1%8A%91-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%9D%E1%88%BA%E1%88%B9-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8A-%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%8D%8D-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8C%80%E1%8A%90%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%83%E1%8A%91-%E1%8C%81%E1%88%8B\/5716894.html"} {"headline":"'ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ንሰላማዊ ህዝቢ ክልል ትግራይ ስግኣት ኮይንዎ'ሎ' ሚቸል ባችለት","content":"ላዕለወይቲ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሼል ባችሌት ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝርከብ ሰላማዊ ህዝቢ ዝኸፍአን ሓደገኛን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍፀሞ ኣሎ ኢለን ። ንሰን ወሲኸን ምናልባት 'ውን ገሊኦም ዓበይቲ ወንጀላት ጦር ከኾኑ ይኽእሉ እዮም ክብላ ኣጠንቂቀ፟ን ። ኣብ መብዛሕትኦም ከባቢታት ክልል ትግራይ ኣገልግሎታት ስልክን ኢንተርኔትን ብዘይምህላዎም እዞም ተፈፂሞም ዝበሃሉ ዘለዉ ክስታት ንምፅራይንን እቲ ዝፍፀም ዘሎ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት መጠኑ ስጋብ ክንደይ ዝኸፍአ እዩ ዝብል ንምፍላይ ኣፀጋሚ ኮይኑ ይርከብ ። ብምኳኑ እቲ ዘሎ ኩነታት ንምግምጋም፣ ደሕንነት ሰላማዊ ህዝቢ ንምሕላውን ገበን ንዝፈፀሙ ሰባት ናብ ፍርዲ ንምቅ፟ራብ ክጥዕም ዘይሻራዊያን ተዓዘብቲ ሰብኣዊ መሰላት ናብቲ ክልል ክኣትዉ ሓላፊት ሰብኣዊ መሰላት ሚሼል ባችሌት ፃውዒት ኣቅ፟ሪበን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%A5%E1%88%95%E1%88%B0%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8A-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%8C%8D%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%8A%AE%E1%8B%AD%E1%8A%95%E1%8B%8E-%E1%88%8E-%E1%88%9A%E1%89%B8%E1%88%8D-%E1%89%A3%E1%89%BD%E1%88%88%E1%89%B5\/5716889.html"} {"headline":"ኣብ ኤርትራ ቁጽሪ ብኮቪድ 19 ዝተታሕዙ ሰባት ናብ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ክብ ምባሉ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኤርትራ ቁጽሪ ብኮቪድ 19 ዝተታሕዙ ሰባት ናብ 1039 ክብ ከምዝበለ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሰንበት 27 ታሕሳስ ኣፍሊጡ።ወርሒ ታሕሳስ ከኣ ቫይረስ ኮሮና ናይ ጉዕዞ ታሪኽ ኣብ ዘይብሎም ሰባት ዝተራኣየላን ዝለዓለ ቁጽሪ ዝተመዝገበላን ወርሒ ከምዝኾነት እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ’ሎ። ነዚ ስዒቡ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ሕማም ኮሮና ቫይረስ ኤርትራ ከም መቐጸልታን መመላእታን ናይ 20 ታሕሳስ ፍሉይ መምርሒ፡ ነቲ መመርሒ ዘትርር ተወሳኺ መምርሒ ኣውጽኡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%89%A5%E1%8A%AE%E1%89%AA%E1%8B%B5-19-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%95%E1%8B%99-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%88%BD%E1%88%95-%E1%8A%AD%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%89-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5716275.html"} {"headline":"ሰራዊት ሱዳን ኣብ ከባቢታት ዶብ ኢትዮጵያ መጥቓዕቲ ፈጺሙ ዝብል ጥርዓን ቀሪቡ","content":"ናይ ሱዳን ሰራዊት ናይ ኢትዮጵያ ዶብ ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት ብምስፋር ኣብ ልዕሊ ነበርቲ እቲ ከባቢን መጥቓዕቲ ይፍፅም ኣሎ ክብል ዞባ ማእኸላይ ጎንደር ጥርዓን ኣቕሪቡ። ፌደራል መንግስቲ ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ ክብል እውን ፀዊዑ ኣሎ። ካብቲ ከባቢ ልዕሊ 10 ሰባት ተዓፊኖም ከምዝተወሰዱ ካብ ሱዳን ዝለዓሉ ዕጡቓት ካብ 2008 ዓ.ም ጀሚሩ ዶባ እናሰገሩ ከምዝኣትውን ንመንግስቲ ብተደጋጋሚ ከፍልጡ ከምዝፀንሑን ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ገሊፆም ኣለው ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%B6%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%99-%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8C%A5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%8A%95-%E1%89%80%E1%88%AA%E1%89%A1-\/5716264.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ኣብ ሰሜናዊ ክልል ሶማልያ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ 21 ሰባት ምቕታሎም ተሓቢሩ","content":"ኣብ ሰሜናዊ ክልል ሶማልያ ወረዳ ኣፍደም ዝርከቡ ክልተ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ 21 ሰባት ምቕታሎምን ካልኦት 28 ሰባት ምቑሳሎምን ናይቲ ወረዳ ነባሪ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም። ኣብቲ ጉዳይ ትማሊ መግለፂ ዘውፅአ ክልላዊ መንግስቲ ሶማልያ እቲ ተግባር ናይ ዓፋር ፍሉይ ሓይልን ዓመፅቲ ከምዝፈፀሙዎ ብምሕባር ናይቲ ክልል ነበርቲ ዝኾኑ ንፁሃን ሰባት ህይወቶም ንምድሓን ዝኾነ ይኹን ኣድላይ ስጉምቲ ምውሳድ ክግደድ እየ ክብል ኣጠንቂቑ። ሎሚ ሶኑይ ምላሽ መግለፂ ዘውፅአ ናይ ዓፋር ክልል መንግስቲ ብወገኑ እቲ መጥቓዕቲ ዝተፈፀመ ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ገዋኔ እዩ ይብል። ብክልቲኡ ወገናት ህይወት ሰባት ምጥፍኡ ብምግላፅ ክልል ንዘውጽኦ መግለጺ ኩነታት ዘጋድ ድ ዩ ክብል ኮኒንዎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-21-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%B3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5716260.html"} {"headline":"ፖሊስ ኢትዮጵያ ንቐራፂ ካሜራ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኩመራ ገመቹ  ምእሳሩ ተገሊጹ","content":"ፖሊስ ኢትዮጵያ ቐራፂ ካሜራ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኩመራ ገመቹ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣሰረ ተፈሊጡ።ንሱ ዝሓለፈ ሓሙስ ዝተኣሰረ ክኸውን ከሎ ንኽልተ ሰሙን ኣብ ቀይዲ ምጽንሑ ስድርኡ ሓቢሮም ኣለው። ክሳብ ሕጂ’ውን ዝቐረበሉ ክሲ ከምዘየለን ምክንያት መእሰሪ ኡ ንስድራ ቤቱ ከምዘይተሓበሮም ይገልጹ። ሮይተርስ ካብ ፖሊስ መልሲ ንምርካብ ፈቲኑ መልሲ ኣይረኸበን። ኩመራ ከም ፍሪላንስ ቐራፂ ካሜራ ንሮይተርስ ን10 ዓመታት ዝሰርሐ እዩ።ሮይተርስ ሎሚ ሶኑይ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ናይ ኩመራ ማእሰርቲ ብምኹናን እዚ ማእሰርቲ እዚ ዘጋጥም ዘሎ ኣቐዲሙ ንካልእ ናይ ሮይተርስ ሰኣላይ ቲክሳ ነገሪ ብኽልተ ኣባላት ፌደራል ፖሊስ 1 ታሕሳስ ምቕጥቓጡስዒቡ እዩ። ዋና ኤዲተር ስቴፈን ጄይ ኣድለር ኣብ መግለፂኡ “ኩመራ ካብ ኢትዮጵያ ብሚዛናዊ፣ ነፃን ብዘይውግንናን ኣገባብ ካብ ኢትዮጵያ ፀብፃብ ዘቕርብ ኣካል ጉጅለ እዩ። ስራሕቲ ኩመራ ሞያውን ዘይሻራውን ስለዝኾኑ ናይ መእሰሪኡ ምኽኒያት መሰረት የብሉን’’ኢሉ ። ኣብ ኒውዮርክ ዝመደብሩ ንጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ሲፒጀይ ናይ ኩመራ ማእሰርቲ ድሕሪ ሓፂር ተስፋ ኣብ እዋን ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ነፃነት ፕረስ ብቕልጡፍ ይሽርሸር ከምዘሎ ኣብነት እዩ ኢሉ ኣሎ። ሲፒጀይ ነሓሰ1 ዓመታዊ ፀብፃቡ ኣብ ዘውፅአሉ ግዜ ምስ ስርሓቶም ብዝተኣሳሰረ ኣብኢትዮጵያ ብውሑዱ ሸውዓተ ጋዜጠኛታት ምእሳሮም ሎሚ ሶኑይ ገሊፁ። ካብዚኦም እቶም ሓሙሽተ ኣብ ክልል ትግራይ ኵናት ድሕሪ ምጅማሩ ዝተኣስሩ እዮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%90%E1%88%AB%E1%8D%82-%E1%8A%AB%E1%88%9C%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%8B%9C%E1%8A%93-%E1%88%AE%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%88%B5-%E1%8A%A9%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8C%88%E1%88%98%E1%89%B9-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%88%B3%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5716255.html"} {"headline":"ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ዓሲንባ ኣብ ትግራይ ይካየድ ኣሎ ዝበሎ ግፍዒ ብምውጋዝ መግለፂ ኣውፂኡ","content":"ናይ ዓሲምባ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣብ ትግራይ ይካየድ ብዛዕባ ዘሎ ኵናት ሽዱሽተ ነጥብታት ዝሓዘ መግለፂ ትማሊ ኣውፂኡ ኣሎ።እቲ ኵናት ክጅመር ከሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ተባሂሉ እንተነበረ እውን እቲ ኩነታት ግን ንህዝቢ ትግራይ ንምብርካኽ ዳግም ቅንዕ ከይብል ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ይስራሕ ዘሎ መርኣያ ታሪካዊ ጌጋ እዩ ኢሉ ኣሎ።ካብቶም መርኣያታት ሓደን ቀንድን ኢሉ ዝጠቐሶ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ኵናት ካብ ምስታፉ ንላዕሊ ንህዝቢ ትግራይ እና ጨፍጨፈ ሃብቲ ህዝቢ ትግራይ እናዘረፈ ናብ ትግራይ እናግዓዘ ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ጌጋ እናፈፀመ እዩ ይብል እቲ መግለፂ። ኣብቲ ባይታ ሰባት ነዚ እንተገለፁን መንግስቲ ኣሜሪካ እውን ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ምስታፉ እሙን ሓበሬታ ኣለኒ እንተበለ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ናይ ትግራይ ብልፅግና ፓርቲን መንግስቲ ኤርትራን ነቲ ክሲ ይነፅጉዎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዝዘርግሑዎ መልእኽቲ ‘’ሕዚ እቲ ቀንዲ ወታደራዊ ስርሒት ስለ ዝተወድአ ዕማምና ናይ ምሕዋይ ስራሕን በቲ ግጭት ዝዓነው ኣገልግሎታት መጎዓዚያን መራኸብን ናብቲ ዝነበሮ ናይ ምምላስ ስራሕ እዩ’’ ኢሎም። ብኻሊእ ወገን ድማ 12 ኣባላት ዝሓቖፈ ካብኔ ኣጣይሹ ስርሑ ዝጀመረ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ መንግስታዊ ኣገልግሎት ንምሃብን ዝተቋረፁ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ንምጅማርን ፃዕርታት የካይድ ከምዘሎ ገሊፁ።ኣብ ከተማ መቐለ ናይ ናይ መብራህትን ስልክን ከምኡ እውን ማይ ናብቲ ንቡር ከምዝተመለሰ ብምሕባር ናይ ኣየር መጎዓዚያ ኣብ ቀረባ ከምዝጅመር ገሊፁ እዩ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/an-oppistion-party-based-on-tigray-accused-eritrean-forces-committing-atrocities-in-tigray-\/5713528.html"} {"headline":"ኣሰር ወለዳን ኣሕዋታን ዝሰዓበት መንእሰይ ሓኪም ዶክተር እምነት ተኸስተ ብዝለዓለ ነጥቢ ትምረቕ","content":"ኣስመራ — መንእሰይ ዶክተር እምነት ተኸስተ ሓንቲ ካብ’ቶም ቀዳም 19 ታሕሳስ 2020 ካብ ኮለጅ ሕክምናን ስነፍልጠት ጥዕናን ኦሮታ ብልዑል ነጥቢ ብዓውዲ ሓፈሻዊ ስነ መድሃኒት ዝተመረቑት ተማሃሪት’ያ። ኣቦኣ ዶክተር ተኸስተ ፍቓዱ፡ኣዲኣ ዶክተር ግደይ ገብረዮሃንስ፡ ካልኦት ሰለስተ ኣሕዋታ'ውን ከምኡ። ገዝኦም እንዳ ዶክተር ተባሂላ'ያ ትጽዋዕ። ኣቦኣ ዶክተር ተኸስተ ፍቓዱ ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ መጻሕፍቲ ብምፍራዩ'ውን ይፍለጥ'ዩ። እዛ ካብ ዶክተራት ወለድን ኣሕዋትን ዝተረክበት መንእሰይ ዶክተር፡ ንጉዕዞ ትምህርታን ካልእ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ዘካየደቶ ዕላል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%95%E1%88%8B%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%AB%E1%89%92%E1%89%B5-%E1%8B%B6%E1%8A%AD%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A5%E1%88%9D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%88%B5%E1%89%B0-\/5712286.html"} {"headline":"'ኣብ ቤንሻንጉል ጉምዝ ዝፍፀም ጭፍጨፋ ካብ ሱሩ ንምፍታሕ ክስራሕ እዩ' ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ","content":"ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ይፍፀም ዘሎ ጭፍጨፋ መንግስቲ ነቲ ፀገም ካብ ሱሩ ንምፍታሕ ኣድላዩን ብዝተዋደደን ሓይሊ ከምዝሰርሕ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ገሊፆም። ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተክል በኩጂ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ናብ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውግሐ ብዑጡቓት ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ልዕሊ 100 ንፁሃን ሰባት ተቐቲሎም እዮም። ቀዳማይ ምንስተር ኣብይ ኣሕመድ ሎማዕንቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዝፅሓፉዎ መልእኽቲ ኣብ መተከል ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ይፍፀም ዘሎ ጭፍጨፋ ኢሰብኣዊ ተግባር ስለዝኾነ ኣዚዩከምዘሕዘኖም ገሊፆም። ነቲ ፀገም ካብ መሰረቱ ንምፍታሕ ዝተዋደደ ስራሕ ክስራሕ ከምዝተገበረ ሓቢሮም ኣለው። ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰል ኮሚሽን ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብቲ ክልል ዘሎ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ብዝለዓለ ደረጃ እናተዳኸመ ምኻዱ ሓቢሩ ኣሎ። ናይቲ ኮሚሽን ኮሚሽነር ዶክተር ዳንኤል በቀለ ሎማዕንቲ ምስ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ብዛዕባ እቲ መጥቓዕቲ ከምዚ ኢሎም። ‘’ኣብ ቀረባ ዝወረደ ጉድኣት ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝነበሩ ፍልይ መጠኑ ዝለዓለ ምዃኑ፣ክሳብ ሕዚ ብዘለና ግምት እንተወሓደ ልዕሊ 100 ሰባት ብዘሰቅቕ ጭካነን ግፍዕን ተቐቲሎም ኣለው።ብዙሓት ናይ ኣካል ጉድኣት ወሪዱዎም ኣሎ።ኣባይቶም ንብረቶም ብሓዊ ነዲዱ ዓኒዩ እዩ’’ ኢሎም። እቲ ናይ ትማሊ መጥቓዕቲ ብሄር መሰረት ዝገበረ ኣይኮነን ኩሉ ዓይነት ሰብ ጉድኣት ወሪዱዎ እዩ ኢሎም። እዚ ከምዚ ኢኩ እናሃለው በዝሒ በቲ መጥቓዕቲ ዝተቐትሉ እናተፃረየ ምዃኑ ዝገለፁ ሓላፊ ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣቶ መለስ በየነ ኣብቲ መጥቓዕቲ ኢዶም ከምዘሎ ዝተጠርጠሩ ሸውዓት ኣባላት መሪሕነት ኣብ ቁፅፅር ምውዓሎም ሓቢሮም። ምሉእ ድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/after-the-killings-of-more-than-hundred-people-in-benshangul-gumuz-prime-minister-abiy-promised-decisive-aactions\/5712262.html"} {"headline":"ሕቡራት ሃገራት፡ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ክኣቱ ጀሚሩ ኢሉ","content":"ሕቡራት ሃገራት፡ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ክኣቱ ጀሚሩ ኢሉ። ወሃቢ ቓል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ናይ ትማሊ ረቡዕ ጋዜጣዊ መግለጺኡ፥ ሽሕ`ኳ ናብቲ ከባቢ ግጭት ንምእታው ዘሎ ዕድል ውሱን እንተኾነ ሰብኣዊ ረድኤት ቀስ ብቐስ ናብ ክልል ትግራይ ክኣቱ ጀሚሩ`ሎ ኢሉ። ውድብ ጥዕና ዓለም`ውን ንሰለስተ ወርሒ ንልዕሊ 10 ሺሕ ተሓከምቲ ዝኸውን ቀረባት ሕክምና ናብቲ ቦታ ምልኣኹ ኣፍሊጡ`ሎ። ብተወሳኺ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ኣብ መዓስከራት ዓዲ ሓርሽን፥ ማይ ዓይንን ናብ ዝርከቡ 35 ሽሕ ስደተኛታት ዝኸውን ቀረባት መግቢ ከብጽሕ ከምዝኸኣለ፡ ናብ ሒጻጽን ሺመልባን ዘቕንዓ ቃፍላይ ግን ኣብቲ ከባቢ ብዘሎ ናይ ጸጥታ ስግኣት ከም ዝተመልሳ ኣፍሊጡ`ሎ። ከሚካል መጻረዪ ማይ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ክልል ኣምሓራን ምዕራባዊ ክፋል ትግራይን ንዝተፈናቐሉ ከም ዝተዋህበ ዝገለጸ ወሃቢ ቓል ሕቡራት ሃገራት፥ ኣብ ሰሜናዊ ክልል ኣምሓራን ምዕራባዊ ዓፋርን`ውን ንሓሙሽተ ሺሕ ተመዛበልቲ ዝውዕል፥ ማይ፥ መጸራረዪ፣ ካልእ ዘይ-መግባዊ ዝኾነ ቀረባት ጽርየትን ከምዝኣተወ ኣፍሊጡ። ትካላት ሕቡራት ሃገራት ምስ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ብምዃን ሓበረታ ሰብኣዊ ጠለባት ዝለዋወጥሉ ማእከል ንምቛም ምስምምዖም ዝጠቐሰ ወሃቢ ቃል-ሕቡራት ሃገራት፥ብዛዕባ ምንቅስቓስን ድሕነትን ሰራሕተኛታት፡ ከምኡ`ውን ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ምንቅስቓሳት ሓበረታ ኣብ ምልውዋጥ ዘሳልጥ ምዃኑ ገሊጹ`ሎ። ንሱ`ውን ኣብ ከባብታት ዶብ ሓገዝ ዘድልዮም ከምዘጠቓልል ይገልጽ። ብተወሳኺ ወሃቢ ቃል-ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኩሉ ከባብታት ክልል ትግራይ፥ ሰራሕተኛታት ረድኤትን ቀረባት ረድኤትን ብውሑስ ድሕነት ናይ ምንቀሳቐስ ዕድል ክውሃቦም ምስ መንግስቲ ጽምዶና ቀጺልና ኣለና ኢሉ`ሎ ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95%E1%89%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%A8%E1%8B%B5%E1%8A%A4%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%8A%A3%E1%89%B1-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9-%E1%8A%A2%E1%88%89\/5712209.html"} {"headline":"ትካል ስደተኛታት ሕ\/ሃ ካብ ክልል ትግራይ ንዝስደዱ ዝውዕል ህጹጽ ሓገዝ ከምዘድልይ ጸዊዑ","content":"ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን 30 ሰብኣዊ ሓገዝ ወሃብቲ ጉጅለታትን ካብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ንዝተሰደዱን ዘዕቆብዎም ሃገራትን ን 6 ኣዋርሕ ሓገዝ ዝውዕል 156 ሚልዮን ዶላር ንምርካብ ፃውዒት ኣቕሪቦም ። ሰባት ካብ ኲናት ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ሃዲሞም ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ምእታዎም ቀፂሎም ኣለዉ ። ይኹን እምበር ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ነዚ ክቅይሩ ዝኽእሉ ኩነታት የጋጥሙ ኣለዉ ይብል ። ከም ሓበሬታ እቲ ትካል ካብ ኢትዮጵያ ንኸይወፁ ዝተኸልከሉ ስደተኛታት ምናልባት ናብ ጁቡቲን ኤርትራን ክስደዱ ይኽእሉ እዮም ዝብል ግምት ኣለዎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%8B%B1-%E1%8B%9D%E1%8B%8D%E1%8B%95%E1%88%8D-%E1%88%85%E1%8C%B9%E1%8C%BD-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%B5%E1%88%8D%E1%8B%AD-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%91\/5711165.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ:ካልኣይቲ ሳተላይት ናብ ህዋ ምውንጫፋ ኣፍሊጣ","content":"ኢትዮጵያ ኢቲ ስማርት ኣር ኤስ ኤስ\/ET Smart RSS\/ ዝተባህለት ሳተላይት ትማሊ ናብ ህዋ ምውንጫፋ ኣፍሊጣ። ብሓገዝ ቻይና ናብ ህዋ ናይ ዝተልኣኸት ካልአይቲ ሳተላይት ዕማም ናይ መሬት ገፅ ሓበሬታ ምእካብን ኣብ መሬት ናብ ዝርከብ ማእኸል ምልኣኽን ምዃኑ ናይ ኢትዮጵያ ኢንስቲትዩት ሳይንስ ህዋን ቴክኖሎጂን ኣፍሊጡ ኣሎ። ናይቲ ኢንስቲትዩት ምኽትል ዋና ዳይሬክተር ዶክተር ይሽሩን ኣለሙ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ እታ ትማሊ ዝተልኣኸት ሳተላይት ለውጢ ኩነታት ኣየር ንምቁፅፃር ኣብ ዝግበሩ ፃዕርታት ንምሕጋዝን ምስ ሕርሻ ዝተኣሳሰሩ መፅናዕትታትን ምርምራትን ንምፍፃምን ካልኦት ኣብ መሰረተ ልምዓትን ዝውዕሉ መረዳእታታትን ንምእካብን ምዃኑ ገሊፆም ኣለው ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%88%B3%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%AD%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%8B-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%8A%95%E1%8C%AB%E1%8D%8B-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A3-\/5711140.html"} {"headline":"ኣብ ኤርትራ ናይ ፈለማ ብኮቪድ 19 ዝሞተ ዜጋ ተመዝጊቡ","content":"ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሓደ ዜጋ ብኮቪድ 19 ሂወቱ ከምዝሓለፈን ካልኦት 25 በቲ ሕማም ከምእተለኽፉን ትማሊ ሰሉስ 22 ታሕሳስ ምሽት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። በዚ ከኣ ቁጽሪ ብቫይረስኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ዝሓወዩ ሓዊሱ ናብ 832 ክብ ከም ዝበለ ሚኒስትሪ ጥዕና ወሲኹ ሓቢሩ'ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8D%88%E1%88%88%E1%88%9B-%E1%89%A5%E1%8A%AE%E1%89%AA%E1%8B%B5-19-%E1%8B%9D%E1%88%9E%E1%89%B0-%E1%8B%9C%E1%8C%8B-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8C%8A%E1%89%A1\/5711133.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝርከቡ 250,000 ተመዛበልቲ እኹል ሓገዝ ከምዘይበሐ መንግስቲ'ቲ ክልል ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ዝተኻየደ ወታሃደራዊ ወፍርን ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ብዝተፈጥረ ፀገም ፀጥታን ንዝተመዛበሉ 250,000 ሰባት ክሳብ ሎሚ እኹል ሓገዝ ዘይበጽሐ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣፍሊጡ። ብኻልእ ወገን ካብ መነባብርኦምተመዛቢሎም ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝርከቡ ጉዱኣት ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ 3,000 ኵንታል እኽሊ ሓገዝ ምሃቡ ተሓቢሩ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣዊ ወረዳ ጓንጓ 38,000 ተመዛበልቲ ከምዝርከቡ ናይቲ ከባቢ ሰራሕተኛታት ረድኤት ገሊፆም ኣለው ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-250-000-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%8A%A5%E1%8A%B9%E1%88%8D-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%A0%E1%88%90-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5710939.html"} {"headline":"ጉጅለታት ተሓለቕቲ መሰላት ስደተኛታት ኩነታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ከምዘተሓሳስቦም ይገልጹ","content":"ሰብኣዊ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝበፅሕ ዘሎ መጥቓዕቲን ኣገዲድካ ምፍንቃልን ኣመልኪቶም ዝወፁ ዘለዉ ሓበሬታታት ከም ዘተሓሳሰቦም ይሕብሩ ። ቅድሚ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተጀመረ ኲናት ኣስታት 96,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከቡ ኣርባዕተ መዓስከራት ከምዝነብሩ ዝፍለጥ እዩ። ይኹን 'ምበር ብሰንኪ እቲ ኲናት ናብ ሱዳንን ዋና ኸተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ከይተረፈ ተሰዲዶም እዩም ። ዓለምለኸ ጉጅለ ተሓለቕቲ ስደተኛታት ከምዝበልዎ ካብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ይካየድ ዘሎ ኲናት ሃዲሞም ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት እናተኣከቡ ተገዲዶም ናብቲ ናይ ውግእ ዞባትግራይ ወይ'ውን ናብቲ ገዲፎሞ ዝመፁ ትውልዲ ሃገሮም ኤርትራ ክምለሱ ይግበር አሎ። ሳራ ሚለር ላዕለወይቲ ሓላፊት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት \"ሓደገኛ ናብ ዝኾነ ከባቢ ብሓይሊ ክምለሱ ምግባር ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ተግባር እዩ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍፅም ዘሎ ። ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኑ ናብቲ ቀንዲ ማእከል ኲናት ክልል ትግራይ ወይ 'ውን ሃዲሞም ናብ ዝመፅሉ ትውልዲ ዓዶም ኤርትራ ኣገዲድካ ክምለሱ ምግባር ዝለዓለ ጥሕሰት ዓለምለኸ ሕጊ ስደተኛታት 'ዩ\" ኢለን ። ንሰን ወሲኸን እዞም ሓበሬታታት ካብ ስደተኛታት ፣ ስድረኦምን ዘይመንግስታዊ ትካላት ኮይኖም ኣብ ኢትዮጵያ ውሽጢ እናሰርሑ ዝርከቡ ዝተኣከቡ ምዃኖም ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪበን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%88%E1%89%95%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%B3%E1%88%B5%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B9-\/5709374.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ ካብ ክልል ትግራይ ንዝሃደሙ ስደተኛታት ዝውዕል 156 ሚልዮን ዶላር ናይ ገንዘብ ሓገዝ ተማሕጺኑ","content":"ናይ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ምስ 30 ዝኾና መሻርኽቱ፡ ነቶም ካብ ግጭት ክልል ትግራይ ዝሃድሙ ዘለዉ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል ናይ 156 ሚልየን ዶላር ረድኤት ተማሕጺኖም። እቲ ገንዘብ ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝርከባ ካልኦት ሃገራት'ውን ስደተኛታት ንምቕባል ምድላው ከሐይል ከምዝኽእል ናይ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት(UNHCR) ዘውጽኦ መግለጺ የመልክት። ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ሰሙናት ልዕሊ 52 ሺሕ ስደተኛታት ካብ ክልል ትግራይ ሃዲሞም ምብራቓዊ ሱዳን ከምዝኣተዉ ዝገለጸ እቲ ትካል፡ ሽሕ'ኳ እቲ ሓዲሽ ምእታው ናብ 500 ንመዓልቲ እንተጎደለ፡ ትካላት ረድኤት ኣብ 10ታት ዓመታት ብኸምዚ ደረጃ ዋሕዚ ርእየንኦ ዘይፈልጣ ምሉእ ሰብኣዊ ህጹጽነት ከአንግዳ ተገዲደን ኣለዋ ኢሉ። እቲ መደባት ምድላው ንመንግስታት ሱዳን ጅቡትን ኤርትራን ንምሕጋዝ'ውን ዝዓለመ'ዩ ዝበለ UNHCR ንሱ ድማ ነቶም ክሃድሙ ዝተገደዱ ሰባት ናይ ዑቕባን ምድሓን ህይወትን ሓገዝ ዘጠቓልል ምዃኑ ኣብሪሁ፡ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%99-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8B%8D%E1%8B%95%E1%88%8D-156-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8B%B6%E1%88%8B%E1%88%AD-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8C%88%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%89%A5-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%95%E1%8C%BA%E1%8A%91\/5709202.html"} {"headline":"ነበርቲ ማይካድራ ኣብታ ከተማ ብጅምላ ንዝተቐትሉ ዘኪሮም","content":"ነበርቲ ማይካድራ ኣብታ ከተማ ብጅምላ ንዝተጨፍጨፉ ክዝክሩ ውዒሎም። እቲ ዝክር ዝተኻየደ ካብ 600 ክሳብ 1000 ንዝበጽሑ ግዳያት ምዃኑ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ። ነቶም መወቲ ብቤተክርስትያን ጸሎትን ዝኽሪን ምግባሩን ብባህልን ወግዕን ክፍጸም ዘይከኣልዎ ስርዓት ምፍጻሙ እቲ ሓዘን እንተዘይገደፎም\"ኳ ቅልል ከምበሎም ነበርቲ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም። ኣብ ማይካድራ ብጅምላ ዝተቐበሩ ሰባት ጸሎተ ፍትሓት ተገይርሎም ኣስከሬኖም ኣብ ቤተክርስትያን ከምዝዓርፍ ዝተገብረ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ማእከል'ታ ከተማ'ውን ንዝኽሮም ሓወልቲ ንምስራሕ እምኒ ኩርናዕ ተቐሚጥሎም ክብል ናብቲ ቦታ ዝተጓዕዘ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ'ሎ ። ብኻልእ ዜና ኣብ ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣምሓራን ኦሮሞን፡ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝርከባ ጎረባብቲ ወረዳታትን ብዝተፈጥረ ግጭት ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ጉድኣት ምውራዱ ተሓቢሩ'ሎ። እዚ ዳሕራዋይ ግጭት ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝነበረ ፍልይ ዝበለ መልክዕ ኣለዎ'ውን ተባሂሉ'ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%9B%E1%8B%AD%E1%8A%AB%E1%8B%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%89%B3-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%89%A5%E1%8C%85%E1%88%9D%E1%88%8B-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%90%E1%89%B5%E1%88%89-%E1%8B%98%E1%8A%AA%E1%88%AE%E1%88%9D\/5709166.html"} {"headline":"'ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ናይ ብዙሓት ሓይልታት ምትእትታው ኣለዎ' ኣምባ.ዲና ሙፍቲ","content":"ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ናይ ዶብ ጸገም ናይ ብዙሓት ሓይልታት ኢድ ከምዘለዎ ወሃቢ ቓል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊጹ። ብመራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ሰናይ ድልየት ከም ዘሎ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣፍሊጡ'ሎ። ብሽም ዘይጠቐሶም ሓይልታት ዝተፈላለየ ድልየታቶም ንምዕዋት ክብሉ ኣብቲ ከባቢ ምርግጋእ ንኸይህሉ ዝክኣሎም ይገብሩ ከምዘለዉ'ውን ጠቒሱ። እቲ ጉዳይ ምስ ዲጋ ሕዳሰ ዝተሓሓዝ ምዃኑ'ውን ሓቢሩ'ሎ። ኣምባሳደር ዲና ኣስዒቡ ጸገምና ምስ ሱዳን ኣይኮነን ኢሉ ። መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ተዛዚሙ'ዩ ክብል ከሎ ሕጂ'ውን ኩናት ከምዘሎ ይንገር'ዩ እዚ ድማ ኣብ ከባቢ ዓለም ተቐባልነት ዝረኸበ ይመስል ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ዲና ሙፍቲ ኣብ ሚድያ'ዩ ኩናት ዘሎ ኢሉ። \"ኣብ ሰሜን ኩናት የለን፡ነገር ግን ኣብ ሚድያ ሓያል ኩናት ኣሎ።\" ኣምባ.ዲና ሙፍቲ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ብምዕራባዊ ዓለም ዘለዉ መርበባት ብዙሓት'ዮም።እዚኣቶም ኣቐድም ኣቢሎም ምስ ኢትዮጵያ ዘይኮነ ምስ ውልቅሰባት ምሕዝነት ዝጸንሖም ኣለዉ ኢሉ። ሓደ ሓደ ዓለምለኸ ትካላት ሚድያ ዝዝርግሕዎም ናይ ሓሶት ዜናታት'ውን ከም ኣብነት ኣቕሪቡ ኔሩ። ብተወሳኺ ኣብ ሚድያታትን ካልኦት ዲፕሎማሲያዊ ስርሓትን ካልኦትን ተዓሚሞም ዝበሎም ናይዚ ሰሙን ናይቲ ቤት ዕዮኡ ምንቅስቓሳት ዘርዚሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8E-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%B6%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%95%E1%88%93%E1%89%A5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%8B%99%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8A%A5%E1%89%B5%E1%89%B3%E1%8B%8D-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8E-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3-%E1%8B%B2%E1%8A%93-%E1%88%99%E1%8D%8D%E1%89%B2\/5709157.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ምስ ነበርቲ መተከል ተመያይጦም","content":"ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ብምኻድ ሎሚ ምስ ነበርቲ መተከል ተመያይጡ። ዶ\/ር ኣቢይ ኣብቲ እዋን፥ ኣብቲ ከባቢ ልዕልና ሕጊ ምኽባር ዋና ኣጀንድኡ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ቀዳማይ ሚኒስትር​ ምስ ጠቕላሊ ሓለቓ ወተሃደራዊ ስታፍ ጀነራል ብርሃኑ ጁላን፡ ሚኒስትር​ ሰላም ወ\/ሮ ሙፈርያት ካሚልን'ዮም ናብቲ ቦታ ተጓዒዞም ኣለዉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%89%B0%E1%8A%A8%E1%88%8D-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%AB%E1%8B%AD%E1%8C%A6%E1%88%9D-\/5709149.html"} {"headline":"ሰራዊት ምክልኻል ንከተማ መቐለ ኣብ ዝተቖፃፀረሉ ዕለት ብዝተፈፀመ ዓይደር ሆስፒታል 22 ዝተቐትሉ ስቪላት ከምዝተቐበለ ተገሊፁ","content":"ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣስታት ፍርቂ ሚሊዮን ህዝቢ ንዝነብረላ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተቖፃፀሩል 19 ሕዳር 2013 ዓ\\ም ኣብታ ከተማ ብዝተኻየደ ደብዳብ ከቢድ ብረት 22 ዝሞቱን ካልኦት 40 ድማ ዝቖሰሉን ስቪላት ናብ ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል ጥራሕ ከምዝመፁ ኣብቲ እዋን ላዕለዋይ ክኢላ መጥባሕቲን ዲን ቤት ትምህርቲ ሕክምናን ዓይደር ዝነበረ ዶክተር ፋሲካ ዓንደስላሴ ይገልፅ።ዶክተር ፋሲካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጊዚያዊ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኮይኑ ተሸይሙ ኣብ መዳይ ጥዕና ዘሎ ‘’ከቢድ’’ ዝበሎ ፀገም ንምፍታሕ ፃዕርታት ይካየድ ኣሎ ኢሉ። ኣብ ከተማ መቐለ ኤሌክትሪክ ጠፊኡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሆስፒታ ዓይደር ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቑ ከምዝነበረ ይገልፅ። ‘’ሕሙማት ብሰንኪ ስኣን መድሓኒን ኦክሲጂን ዝሞቱ ነይሮም’’ይብል።መድሓኒት ጥራሕ ከይኮነስዝብላዕ ስለ ዝተወድአ ሕሙማትጠሚዮም ከምዝነበሩን ኣብቲ ከባቢ ሆስፒታል ዝነብሩ ውልቀሰባት ብስኩትን ካልእ ምግብን ንሕሙማት ይሕግዙ ከምዝነበሩን ሓቢሩ። ኣብቶም ዝሓለፈ ማዕልታት ብኣካል ናብ ውቕሮን ዓዲግራትን ከምዝኸደ ዝገለፀ ዶክተር ፋሲካ ኣብ ሆስፒተላታን ማእኸላት ጥዕናን እተን ከተማታት ማእለያ ዘይብሉ ወራር ንብረትን ጥፍኣትን ምውራዱ ሓቢሩ። ምሉእ ድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/the-day-ethiopian-federal-forces-captured-mekele-22-killed-and-another-40-wounded-civilians-were-admitted-in-a-hospital-health-official-said\/5709119.html"} {"headline":"ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ካብ ኣብ ዶብ ሱዳን ዝርከቡ መዓስከራት ይግዕዙ ምህላዎም ተሓቢሩ","content":"ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ተፈጢሩ ብዘሎ ምስሕሓባት ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሰሉስ ናብ መሬት ሱዳን ሰጊሩ ብምእታዉ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀም ድሕሪ ምሕባሩ ኣብቲ ከባቢ ዶባት ዝርከቡ መዓስከራት ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ንትካላት ረድኤት ስዒቦም ናብ መዓስከር ዑም ራኩባ ከምዝገዓዙ ተሓቢሩ። እቲ ዝዓበየ መዓስከር ሱዳን ዋላ'ኳ ሕፅረት መግብን መጽለሊን እንተሃለዎ ካብቲ ዶብ ራሕቂ ስለዘለዎ ደሕንነቶም ዉሑስ ከምዝገብሮ እቶም ስደተኛታት ይዛረቡ ። ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰደተኛታት ኣብ ጥቓ ዶባት ኢትዮጵያ ዝርከቡ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ተዓቑቦም ይርከቡ ።ቅድም ክብለ ሓገዛት መግቢን መፅለሊን ክረኽቡ መዓስከር ኡም ራኩባ ክግዕዙ ጎስጓስ እንተተገብረ'ውን ኣፀጋሚ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ። ሐጂ ግና እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ይካየድ ዘሎ ኲናት ናብ ዶባት ሱዳን እናተፀገዐ ብምምፅኡ ብቅልጡፍ ነቶም ስደተኛታት ምግዓዝ ግድን ኮይኑ እዩ ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%B6%E1%89%A5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%B5%E1%8A%A8%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8C%8D%E1%8B%95%E1%8B%99-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5708084.html"} {"headline":"ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ሕማም ኮሮና ቫይረስ ኤርትራ ሓድሽ ህጹጽ መምርሒ ኣውጺኡ","content":"ኣብ ዝሓለፉ ግዚያት ኣብ ኩለን ዞባታትን ኣብ ገለ ገጠራትን ኤርትራ ዝኾነ ናይ ጉዕዞ ታሪኽ ኣብ ዘይብሎም ዜጋት ዘሰክፉ መትሓዝቲ ቫይረስኮሮና ብምርኣዩ ካብ ሰሉስ 22 ታሕሳስ 2020 ሰዓት 6 ንግሆ ጀሚሩ ንኩሉ ዓይነት ምንቅስቓስ ሰባት ዝኽልክል ሓዲሽ ህጹጽ መምርሒ ተግባራዊ ከምዝኸውን ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ሕማም ኮሮና ቫይረስ ኤርትራ 20 ታህሳስ ኣብ ዘውጽኦ መምርሒ ኣፍሊጡ። ብመሰረት’ቲ መምርሒ ብዘይካ’ቶም ክውንዘፉ ዘይክእሉን ዝተፈቕደን ልምዓታዊ፡ ኣገልግሎታውን ድሕነታውን ንጥፈታት ኩሉ ምንቅስቓስ ዜጋታት ኣብ መላእ ሃገር ድሩት ክኸውን’ዩ። ነቲ መምርሒ ናይ ትግባር ናይ ነፍስ-ወከፍ ዜጋ ሓላፍነት ከምዝኾነ ዘመልከት እቲ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ፡መምርሒ ኣብ ዝጥሕሱ ዜጋታት ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝውሰድ’ቲ ሓይሊ ዕማም ኣትሪሩ ኣጠንቂቑ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8B%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%8B%95%E1%88%9B%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%88%95%E1%88%9B%E1%88%9D-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%88%85%E1%8C%B9%E1%8C%BD-%E1%88%98%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%92-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%8C%BA%E1%8A%A1\/5708020.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ኣብ ዝመጽእ 10 ዓመታት 3 ሳተላይት ናብ ህዋ ከምትውንጭፍ ተገሊጹ","content":"ኢትዮጵያ ንዝቕጽሉ 10 ዓመታት ንዝተፈላለያ ኣገልግሎታት ዝውዕላ ሰለስተ ሳተላይት ከም እተወንጭፍ ኢንስቲቱት ስፔስ ሳይንስን ቴክኖሎጂን`ታ ሃገር ኣፍሊጡ። እዚ ዝተገልጸ ዝሓለፈ ዓመት ዝተወንጨፈት ETRSS1 ዝተሰምየት ሳታላይት ሓደ ዓመት ንምዝካር ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት`ዩ። ዳይሬክተር`ቲ ኢንስቲቱት ኣቶ ኣብዲሳ ይልማ፡ ኣብ ዝቕጽል 10 ዓመታት ካብ ዝለኣኻ ሳታላይታት ሓንቲ፥ ናይ ክፍሊ ኮሚንኬሽንን ብሮድካስቲንግ ከም ትኸውን ብምግላጽ፥ ኢትዮጵያ ነቲ ዓውዲ ተውጽኦ ዝነበረት ሚልዮናት ዶላራት ከምዘድሕና ኣፍሊጡ። ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣብ ዓውዲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣካላት`ውን ኣፍልጦ ተዋሂቡ`ሎ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%8A%A5-10-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B3%E1%89%B5-3-%E1%88%B3%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%AD%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%8B-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8B%8D%E1%8A%95%E1%8C%AD%E1%8D%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5707988.html"} {"headline":"ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዝወሰዶ ወታሃደራዊ ወፍሪ \"ሕጋዊ`ዩ\" ኢሉ","content":"ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዝወሰዶ ወታሃደራዊ ወፍሪ \"ሕጋዊ`ዩ\" ኢሉ። ሙሳ ፋቂ ኣብ ኣኼባ ኢጋድ ክዛረብ ከሎ፥ \"ንናይ`ታ ሃገር ሓድነትን ምርግጋእን ከምኡ`ውን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ንምኽባር ዝተወስደ ቆራጽ ስጉምቲ`ዩ\" ኢሉ። ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ዘስምዖ ቃል \"ከም ዲፕሎማሲያዊ ዓወት`ዩ ዝቑጸር\" ዝበለ መንግስቲ ኢትዮጵያ፥ እቲ መርገጺ ናይ ኢጋድ ኮነ ናይቲ ሕብረት ኣባላት መርገጺ`ዩ ኢሉ። ብኻልእ ወገን፥ሓባራዊ ኮሚሽን ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ንዝተፈጥረ ግጭት ንምርኣይ ከምዝዘራረብ ተሓቢሩ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A6-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8B%B6-%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%88%E1%8D%8D%E1%88%AA-%E1%88%95%E1%8C%8B%E1%8B%8A-%E1%8B%A9-%E1%8A%A2%E1%88%89\/5707980.html"} {"headline":"ኩነታት ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ብዓይኒ ጋዜጠኛ ቪኦኤ ካብ ሱዳን","content":"ኣብ መንጎ ሓይሊ ክልል ትግራይን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኵናት ካብ ዝልዓል ልዕሊ 50,000 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ናብ ሱዳን ሃዲሞም እዮም።እቶም ስደተኛታት ናብ ዝርከብሉ መዕቐቢ ማእኸላት ሱዳን ብኣካል ብምኻድ ዝተዓዘበቶ ኣካፊላትልና ኣላ። ኣብ ሱዳን ዝተፈላለዩ መዕቖቢ ስደተኛታት ይርከቡ።ካብቶም መፀለሊ ስደተኛታት ኣብ ሰለስቲኦም ከምዝበፅሐት ዝገለፀት ንሳ ኩነታት ናይቶም መዕቖቢ ስድተኛታትሕማቕ እዩ ትብል።ስደተኛታት ብበዝሒ ናብ ሱዳን ይኣትው ኣብዘለውሉ ዓቕሚ ትካላት ሬድኤት ምስቲ ኩነታት ክመጣጠን ስለዘይኽእል ነጋራት ኣፀጋሚ ክኸውን ምኽኒያት እዩ እውን ትብል። ኣብ ሓምዳይት ማእኸል ስደተኛታት ናእሽቱ መፀለሊ ንምስራሕ ዝኸውን ብጣሽ ፕላሲቲክ እውን ምርካብ ከምዘይክኣሉ ትገልፅ።ናይ ባዕለን ክዳውንቲ ተጠቒመን መፀለሊ ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝረከበትን ሬድኤት ትካላት ንስደተኛታት ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ንድሕሪት ተሪፎም ከምዘለውን ሓቢራ። ሱዳናዊያን ተወሳኺ ሓገዝ ማሕበረሰብ ዓለም ይደልዩ ከምዝደልዩ ዝገለፀን ንሳ ናብ ሱዳን ዝኣትው ስደተኛታት ምስጋእ ወይም ምፅላእ ከምዘየለ ብምሕባር ይኹን እምበር እቲ ዘሎ ንእሽተይ ፀጋ ከይስእኑ ስግኣት ከምዘለዎ ካብ ዘዘራረበቶም ሱዳናዊያን ምዕዛባ ትዛረብ። ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopian-refugees-in-sudan-is-dire-said-voa-reporter-healther-murdock\/5707833.html"} {"headline":"ሓላፊ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት: ስደተኛታት ኣብ ወፍሪ ክታበት ቫይረስ ኮሮና ክጠቓለሉ ኣለዎም ይብል","content":"ለበዳ ቫይረስኮረና ኣብ ዓለም ዘሎ ኩሉ ሰብ ዘጥቅዕ ሕማም እዩ ። ብዙሓት ስደተኛታት 'ውን ሓሚሞም፣ካብ ስራሕ ተመዛቢሎም ወይ 'ውን ኣብ ዝበፅሑሎም ሃገራት እገዳ ተነቢርሎም ይርከቡ ። ኣብ ዓለም ከባቢ 272 ሚልዮን ዝኾኑ ስደተኛታት ይርከቡ። ካብዚኦም ከባቢ ፍርቂ ደቂኣንስትዮ እየን ። ከም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስደተኛ ዝበሃል ዝኾነ ይኹን ሰብ ምክንያት መሰደዲኡ ብዘየ ገድስ ካብ ትውልዲ ሃገሩ ወጺኡ ናብ ካልእ ሃገር ዝኣተወ ማለት እዩ። መብዛሕትኦም ምንቅስቃሳት ስደት ግን ቀጠባዊ ለውጢ ንምርካብ ተባሂሎም ዝግበሩ እዮም ይብል። ከም ጸብጻብ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት (IOM)ህንዲ ልዕሊ 17 ሚልዮን ኣብ ስደት ዝነብር ህዝቢ ብምሓዝ ካብ ዓለም ፈላመይቲ ይገብራ። ኣሜሪካ ድማ ንልዕሊ 50 ሽሕ ስደተኛታት ብምትእንጋድ እታ ዝበዝሓ ስደተኛታት ዘዕቖበት ሃገር ምዃና ይገልፅ ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8A-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%8D%8D%E1%88%AA-%E1%8A%AD%E1%89%B3%E1%89%A0%E1%89%B5-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8A%AD%E1%8C%A0%E1%89%93%E1%88%88%E1%88%89-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%8D\/5705183.html"} {"headline":"ስነ ስርዓት ካልኣይ ቀብሪ ኣብ ማይ ካድራ ዝተቐትሉ ሰባት ተፈጺሙ","content":"ነበርቲ ማይካድራ ክዛረቡ ከለው \"ብንቡርን ብመሰረት እምነቶምን ፣ ብመስርሕ ሓሊፉ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣይተገበረሎምን፣ ነበርቲ’ታ ከተማን ቤተሰቦምን’ውን ሓዘኖም ኣይገለጹን። ስለዚ እቶም ዝሞቱ፣ አስከሬኖም ካብ ዝተቀብርሉ ስፍራ ብምውጻእ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣቡነ ኣረጋዊ ስነ ስርዓት ጸሎት ስነ ቀብሪን ተኻይዱ\" ክብል እቲ ዜና ይገልጽ። ሪፖርተርና ብኣካል ኣብ ዝተረኸበሉ ሰዓት፣ ኣስከሬን 21 ሰባት እናተቀበረ ከሎ ከምዝተዓዘበ’ውን ሓቢሩ። ቅድሚ ስነ ስርዓት ቀብሪ፣ ኪኢላታት ኣስከሬን፣ ሓካይምን ኣባላት ፌደራል ፖሊስን ተረኺቦም ከምዝነበሩ’ውን ሓቢሩ። ካብ ዳንሻ ናብ ሑመራ ከምዝተበገሰ ዝዛረብ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ንኩነታት ሑመራ ‘ስቅታ ዝወረራ ከተማ’ ኢሉ ይገልጻ። ሃዋሁ ማይካድራ ቁሩብ ክብድ ዝበለ ኮይኑ እየ ረኺበዮ፣ ምኽንያቱ፣ ናይ ሰባት ስምዒት ‘ዝተረበሸ፣ ጽቡቅ ነገር ምርኣይ ዘይካኣሉ ሰባት ኮይኖም ኢኻ ትረኽቦም። ኣብ ማይካድራ ሰባት ተቀቲሎም ብጅምላ ዝተቀበሩላ’ እያ ይብል። ካብ ጎንደር ክሳብ ሰሮቃ፣ ካብ ሰሮቃ ክሳብ ሑመራ ሰራዊታት ፌደራል፣ ናይ ክልል አምሓራ ፍሉይ ሓይሊን ምልሻን ከምዝተዓዘበ፣ ክሳብ ሩባ ተከዘ ከምዝተጓዕዘን፣ ፌደራላዊ ፖሊስ፣ ናይ ክልል ኣምሓራ ፍሉይ ሓይሊን ሰራዊት ፌደራልን ተዋፊሮም ከምዘለውን ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A3%E1%8B%AD-%E1%89%80%E1%89%A5%E1%88%AA-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8A%AB%E1%8B%B5%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%90%E1%89%B5%E1%88%89-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%99\/5705093.html"} {"headline":"ተቋሪጹ ዝጸንሓ ህዝባዊን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከተማ አላማጣ ምጅማሩ ተገሊጹ","content":"ኣብ ከተማ ኣላማጣ ተቋሪፁ ዝነበረ መንግስታዊን ህዝባዊን ኣገልግሎታት ክቕፅሉ ከምዝተገበሩ ናይታ ከተማ ጊዚያዊ ኣማሓዳሪ ገሊፆም። ናይታ ከተማ ግዚያዊ ከንቲባ ካሳ ረዳ ዝተቋረፀ ኣገልግሎት ካብ ምቕፃል ብተወሳኺ ዘይጀመሩ ክጅምሩ ኣብ ምድላው ከምዝርከብ ገሊፆም። ኣብቲ ከባቢ ፀጥታን ሕግን ናይ ምኽባር ዘዕግብ ስራሕ ተሰሪሑ ኣሎ ኢሎም ኣለው።ብብዝሒ እንተዘይኮነ’ዃ ካብ ኣላማጣ ናብ ቆቦ ናይ ህዝቢ መጎዓዚያ ይመላለሳ ኣለዋ። ምምሃር ምስትምሃር ግን ብመክፈቲ ኣፍ ክንምሃር ኣለና ዝብል ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ሕቶ መልሲ ስለዘይረኸበ ክሳብ ሎሚ ከምዘይጀመረ እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ኣፍሊጡ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%89%8B%E1%88%AA%E1%8C%B9-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%93-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A3%E1%8B%8A%E1%8A%95-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%A0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8C%A3-%E1%88%9D%E1%8C%85%E1%88%9B%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5704997.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ ብሚልዮናት ዶላር ዝቑጸር ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ኢትዮጵያ ምልኣኹ ሓቢሩ","content":"ሕቡራት ሃገራት ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተፈጥረ ግጭት ንዝተሃሰዩ ንምሕጋዝ ዝውዕል 35.6 ሚሊዮን ዶላር ከምዘተኣኻኸበ ትማሊ ሓሙስ ኣፍሊጡ። ኣስታት 50,000 ሰባት ናብ ሱዳን ሃዲሞም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ኣብ ውሽጢ ተመዛቢሎም ይርከቡ። ገሊኡ ክፋል እቲ ገንዘብ ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ስደተኛታት ንምሕጋዝ ከምዝውዕልን ዝተረፈ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ናብ ዝርከቡ ከምዝስደድን ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%89%A5%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8B%B6%E1%88%8B%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%89%91%E1%8C%B8%E1%88%AD-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A3%E1%8A%B9-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5704978.html"} {"headline":"ተወላዶ ትግራይ ነበርቲ ከተማ ድሬዳዋ ምስ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ምስ ብልጽግና ፓርቲ ድሬዳዋን ተራኺቦም: ተዘራሪቦም","content":"ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ዝርከቡ ተወላዶ ትግራይ ምስ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ምስ ብልጽግና ፓርቲ ድሬዳዋን ተራኺቦም ተመያይጦም። እቶም ተወላዶ ትግራይ ኣብቲ ምይይጥ ኣብ ድሬዳዋ ዘጋጠሞም ጸገማትን ኣብ ጉዳይ ክልል ትግራይ ዘለዎም ሕቶታትን ኣልዒሎም ዘተ ኣካይዶም። ኣብ ምምሕዳር ድሬዳዋ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ብልጽግና ፓርቲ ኣቶ መብራቴ ገብረየስ፥ ኣብታ ከተማ ብሕጊ ተጠርጢሮም ዝተታሕዙ ተወላዶ ትግራይ መብዛሕቲኦም ይፍትሑ ምህላዎም ድሕሪ ምግላጽ ኣብዚ ሰዓት'ዚ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዘለዉ 23 ጥራሕ'ዮም ኢሉ ። ምኽትል ሚኒስትር ትምህርቲን ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ወ\/ሮ ሑርያ ዓሊ፡ ከምኡ ድማ ሓላፊ ክፍሊ ኢንዱስትሪ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባን ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ኣቶ ሙሉጌታ ሃብቶምን'ውን ዝተፈላለየ ሕቶታት ቀሪብሎም ምላሽ ሂቦም ኣለዉ ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B6-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8B%E1%8B%AD-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B4-%E1%8C%8D%E1%8B%9A%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%8C%BD%E1%8C%8D%E1%8A%93-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%B5%E1%88%AC%E1%8B%B3%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%AB%E1%8B%AD%E1%8C%A6%E1%88%9D-\/5702286.html"} {"headline":"ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ\/ሃ 'ንሰብኣዊ ቅልውላው ክልል ትግራይ' ከምዝተዘራረበሉ ተፈሊጡ","content":"ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ዝነበሮ ዕጹው ኣኼባ፣ ‘ንሰብኣዊ ቅልውላው ክልል ትግራይ’ ከምዝተዘራረበሉ ተፈሊጡ። አምባሳደር ዘይቀዋሚ ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ናይ ዝኾነት ጀርመን \"ናብ ክልል ትግራይ፣ ገደብን ደረትን ዘይብሉ ምንቅስቃስ ንትካላት ረድኤት ንክህሉ ብምሕታት፣ ቅትለት ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤት ኣብ ክልልትግራይ ዘሕዝን እዩ\" ኢሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%89%85%E1%88%8D%E1%8B%8D%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%A8%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5702328.html"} {"headline":"ፕረ. ኢሳያስ ኣፈወርቂ መልእኽቲ ንጉስ ስዑዲ ዓረብን ወራስ ዓራትን ተቐቢሉ","content":"ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ትማሊ ሶሉስ ምሽት መልእኽቲ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚዚን ወራስ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማንን ሒዙ ንዝመጽአ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣሚር ፈይሰል ቢን ፈርሓን ኣብ ቤተ-መንግስቲ ኣዳራሽ ሃገር ተቀቢሉ ኣዘራሪቡ። ኣብ’ቲ ርክብ ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ከምዝተመያያጡን ናይ ሓባር ሽማግለ ከምዘቖሙን ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ጸብጺቡ'ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ​","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%89%B2-%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%B5-%E1%88%B5%E1%8B%91%E1%8B%B2-%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%8B%88%E1%88%AB%E1%88%B5-%E1%8B%93%E1%88%AB%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%89%90%E1%89%A2%E1%88%89\/5702267.html"} {"headline":"ህልዊ ኩነታት ትግራይ ብተፀዋዒ ፓርቲ ብልፅግና ኣቶ ነብዩ ስሑል ሚካኤል (1ይ ክፋል)","content":"ካብ ዝጅመር ሓምሳ ማዕልታት ዘቑፀረ ኣብ ትግራይ ይካየድ ዘሎ ውግእ ሕዚ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ከምዝቐፀለ ይግለፅ ኣሎ።ናይ ትግራይ ክልል ሓላፊ ብልፅግና ፓርቲ ኣቶ ነብዩ ስሑል ብወገኑ 98 ምእታዊ ክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ከምዝርከብ ይገልፅ።ካብ ከተማ መቐለን ዝተወሰና ከተማታትን ወፃኢ ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ስልኪ ብዘይምህላው ግን ነቲ ዝብሃል ዘሎ ብነፃ ኣካል ንምርግጋፅ ኣይተኽኣለን። ኣብ ትግራይ ዝተቛረፁ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ንምምላስ ይስራሕ ከምዘሎ ዝገለፀ ኣቶ ነብዩ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ኣገልግሎት ባንኪን በረራ መንገዲ ኣየርን ከምዝጅምር ሓቢሩ።ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢ ሕፅረት መሰረታዊ ቀረባትን ኣገልግሎታትን ከምዘሎ ነበርቲ ይገልፁ። ኣብ መቐለ ናይ ኤርትራ ወታደራት ሪኢና ዝብሉ ሰባት እንተሃለውን መንግስቲ ዩናይትድ ስቴትስ ድማ ወታደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ምህላዎም ካብ እሙናት ፀብፃባት ፈሊጥና ኣለና፤ከምዚ ዝበለ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ወታደራት ክወፁ ንፅውዕ እንተበለ እውን ወታደራት ኤርትራ ይኹኑ ናይ ካሊእ ናይ ወፃኢ ሓይሊ የለን ክብል ኣቶ ነብዩ ስሑል ሚካኤል ነፂጉዎ። ምምስራት ሓዱሽ ካብኔ ብግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ኩነታት ፀጥታ ትግራይ፣ብወገን ምዕራብ ትግራይን ደቡብ ትግራይን ይስምዑ ዘለው ጉዳያት ወሰንን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ከተማታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ይፍፀሙ ኣለው ዝብሃሉ መግሃስትታትን መልሲ ሂቡ ኣሎ። ንምሉእ ቀዳማይ ክፋል ድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/as-the-tigray-provisional-administration-tries-to-form-its-cabinet-fighting-is-continue-in-different-places-of-tigray\/5701838.html"} {"headline":"ርክብ ቀ\/ሚ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ክልትኣዊ ዝምድና ዘተኾረ ምንባሩ ተገሊጹ","content":"ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝገበርዎ ርክብ ኣብ ምሕያል ምሕዝነት ክልቲአን ሃገራት ዘተኮረ ከም ዝነበረ ፥ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዲና ሙፍቲ ሎሚ ንናይ ውሽጥን ወጻእ ሃገራትን ጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም። እቲ ምይይጥ ምርድዳእ ዝዓሰሎም ዕዉትን ምንባሩ`ውን ኣምባሳደር ዲና ገሊጾም ኣለዉ። “ምስ ሱዳን ኣዝዩ ጽቡቕ ተባሂሉ ክግለጽ ዝኽእል ምሕዝነት`ዩ ዘለና” ዝበለ ወሃቢ ቃል-ሚንስትሪ ወጻኢ ኢትዮጵያ ዲና ሙፍቲ፥ ኣብ ዙርያ ርክባት ክልቲአን ሃገራት ዝርኣዩ ፍልልያት ብዘተን ሰላማዊ ብዝኾነ መንገድን ንምፍታሕ ከም ዝተሰማምዑ ኣረዲኡ። “ብሓፈሻ ምስ ሱዳን ኣዝዩ ጽቡቕ ክብሃል ዝኽእል ርክብ`ዩ ዘለና። ብፍላይ ኣብዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ጽቡቕ ምርድዳእ`ዩ ዘለና። ኣብ ዙርያ ግድብ ህዳሰ ፍልልያት ኣሎ፥ እቲ ፍልልያት ግን ሰላማውን ሃናጺን ብዝኾነ ኣገባብ ናይ ምትእንጋድ ድልየት`ዩ ዘሎ” ዝበለ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፥ ምስ ሱዳን ንነዊሕ ግዜ ዘይተወድአ ናይ ዶብ ጉዳይ ኣሎ- ኣብ ዶባት ከባቢ ንሱ ዝፈጥሮ ናይ ጸጥታ ጉዳይ ኣሎ- ብዋናነት ግን፥ ምስ ሱዳን ዘለና ፍልልይ ሃናጺ ብዝኾነ ኣገባብ ናይ ምፍታሕ ኣንፈት`ዩ ዘሎ- ምይይጥና ዝነበረ`ውን ኣብዚ ጉዳይ`ዩ- ጽቡቕን ሃናጽን ብዝኾነ ጽምዶ ኢዩ ድማ ተኻይዱ ኢሉ። ይኹን`ምበር ካብ ጋዜጠኛታት ዝቐረበሉ ሕቶ፥ቀዳማይ ሚኒስትርዓብደላ ሓምዶክ ናብ ኢትዮጵያ መጺኡ ዝነበረ ንናይ ክልተ መዓልታት ምንባሩ ብምጥቃስ ዑደቱ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ጥራሕ ጌሩ ናብ ሃገሩ ምምላሱ፥ ዘይምስምማዕ ከምዝነበረ ዘመልክት ከም ዝኾነን ኣብ ኣጀንዳ ዝርርቦም ዘይምስምማዕ`ውን ከምዝነበረ ንገለ ናይ ዜና ምንጭታት ብምጥቃስ መብርሂ ዝሓትት`ዩ። ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ሓምዶክ ካብ ዝተታሕዘሎም መዓልቲ ኣቐዲሞም ናብ ሃገሮም ምምላሶም ምስ ዘይምስምማዕ ፈጺሙ ከምዘይተኣሳሰር ብምርግጋጽ፥ ዝዝርግሑ ናይ ምናልባት መረዳእታታት ምንጭታቶም ምስ ገለ ኣካላት ናይ ውልቂ ጠቕሚ ዝተተሓዘ ከምዝኾነ ኣረዲኡ። “ብፍላይ ሕጂ ምስቲ ኣብ ሰሜን ዝነበረ ግጭት ብዝተሓሓዝ ፥ ብርክት ዝበሉ ሰብ ረብሓ ኣለዉ። እቲ ዞባ ሰለማዊ ክኸውንን፡ ጸገማት `ቲ ዞባ ድማ ክፍታሕ ፥ዝሕግዙን ዝደልዩን ከም ዘለዉ መጠን፥ ብስቓይ`ቲ ዞባ ዝንግዱ ነጋዶ`ውን ኣለዉ ኢሉ። ብዝተፈላለየ ጉልባብ`ዮም ዝንቀሳቐሱ። ብሲቪል ማሕበረ ሰብ፥ ብሰብኣዊ መሰል ዝብል ኣስማት ዝሓዙ`ዮም። ካብ ግጭት ዘትርፉ ኣለዉ።” ብኻልእ ወገን ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን፡ ፈጻሚ ስራሕ ኤኮኖሚክ ኮሚሽን ኣፍሪቃን፥ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ተወካሊ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦትን ፡ ረኺቡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት`ታ ሃገር መብርሂ ከም ዝሃቦም እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ ሓቢሩ`ሎ። “ንሳቶም`ውን ብፍላይ ንህድኣት ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ድልየት ከም ዝለዎም ብፍላይ ዋና-ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተረዝ፥ንኩነታት ኢትዮጵያ ሚዛናዊ ብዝኾነ መንገዲ ዝተረድእሉ ኩነታት`ዩ ዘሎ” ድሕሪ ምባል “እዞም ሎሚ ዘዘራረብናዮም ኣህጉራውያን ሓለፍቲ`ውን ዘቕረብዎ ሪፖርት ሃናጺ`ዩ ኔሩ ኢሉ። ንዋና ጸሓፊ`ውን ምስጋና ይግብኦም`ዩ ቅቡልን ሚዛናውን ሻቕሎት`ዩ እዚ ነገር ንኸይቅጽል ቀልጢፍኩም ናብ ምርግጋእ ህዝቢ እተዉ ዝብል`ዩ” ኢሉ ። ኣብ ክልል ትግራይ ኣብዚ እዋን`ዚ መሊስካ ናይ ምጥያስ ስራሕ`ዩ ዝስራሕ ዘሎ ዝበለ ኣምባሳደር ዲና፥ ይኹን`ምበር እቲ ዳግመ ምጥያስ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝዘርግሖ ስርዓትን መንገድን ከምዝኾነ ኣስሚርሉ። \"መንግስቲ ዝሰመሮ መስመር ኣሎ፥ኩሉ መስመራት ምሉእ ንምሉእ ርጉእ ከባቢታት ክሳብ ዘይኮነ፥ መንግስቲ ብዝህቦ ምደባን ምክልኻል ብዝህቦ ሓለዋን`ዩ ዝኸውን\" ዝበለ ወሃቢ ቃል ዲና፥\" እቲ ጸገም ብናይ ረድኤት ሽጣራ ንኻልእ ጉዳይ ዝኣትዉ ስለዘለዉ`ዩ\" ኢሉ። ብኻልእ ወገን መንግስቲ ሱዳን ነቶም ናብ ሱዳን ዝተሰደዱ ኢትዮጵያውያን ንምምላስ ፍቓደኛ`ዩ-ኣብ ጭፍጨፋ ማይካድራ ዝተሳተፉ`ውን ኣብኡ ዝኣተዉ ኣለዉ፥ ምስ መንግስቲ ሱዳን ንዘራረብ ኣለና ዝበለ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፥ ነገር ግን ገና ተወሰኽቲ ሰባት ንክስደዱ ዝሰርሑ ወገናት ከም ዘለዉ`ውን ምስትውዓል የድሊ ኢሉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%AD%E1%89%A5-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%8A%93-%E1%8B%98%E1%89%B0%E1%8A%BE%E1%88%A8-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5700682.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ ምምላስ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ናብ ክልል ትግራይ ከምዘሻቅሎ ገሊጹ","content":"ሕቡራት ሃገራት ኤርትራዊያን ስደተኛታት፣ ብሰንኪ ውግእ ገዲፎምዎ ዝኸዱ መዓስከር ስደተኛታት ክልል ትግራይ ተገዲዶም ንክምለሱ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ከምዘሻቀሎ ገሊጹ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝፈነዎ መግለጺ \"ካብ መዓስከር ስደተኛታት ክልል ትግራይ ናብ አዲስ አበባ ዝሃደሙ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ይምለሶም ኣለዂ\" ዝብል እዩ። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፣ ኣማኢት ኣሻሓት ስደተኛታት ብኣውቶብስ ተሳፊሮም ንትግራይ ከምዝተወሰዱ ዝሕብር ሪፖርት ከምዝረኸበ ጠቂሱ ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ \"ንተዋጋእቲ ህወሓት ስለዝሳዓርክዎም፣ ስደተኛታት ናብ’ቲ መዓስከር ንምምላስ ጸገም የብሉን\" ይብል። ኮምሽነር ኮምሽን ትካል ስደተኛታት ፍሊፖ ግራንዲ ብወገኖም \"ትካላት ረድኤትን ሕቡራት ሃገራትን፣ ናብ’ቲ አስታት 96 ሽሕ ኤርትራዊያን ናብ ዝነብሩሎም መዓስከር ስደተኛታት ክአትው ከምዘይካኣሉ ብምጥቃስ፣ እቶም ዝተበታተኑ ስደተኛታት ናብ’ቶም መዓስከራት ንምምላስ ዝግበር ፈተነ ዘሻቅል ኮይኑ ኣሎ\" ኢሎም ኣለው። ትካላት ረድኤት ብወገነን \"መጠን ቀረብ ኣብ’ቶም መዓስከራት ሕጽረት ኣሎ፣ ኣብ ገለ ከባቢታት ድማ ውግእ ቀጺሉ ስለዘሎ ኩነታት ኣሰካፊ ኮይኑ ኣሎ\" ይብሉ። ሕ\/ሃ \"መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንሕቡራት ሃገራትን መሻርክቱን፣ ዘይተገደበ ምንቅስቃስ ክህብ እየ ኢሉ ቃል ኣትዩ ነይሩ። ምኽታም ውዕል ሓደ ስዳሮ ንቅድሚት እዩ፣ እንተኾነ፣ ሰብኣዊ ሓገዛት፣ ካብ መትከልን ዘይሻራዊነትን ብዝጸፈፈ መልክዕ ክፍጸም ኣለዎ\" ይብል ። ፍሊፖ ግራንዲ ወሲኾም \"ከምዞም ዝተጠቀሱ ኣገባባት ኣዝዮም ኣገደስቲ እዮም። ምኽንያቱ፣ ሓገዝ ናብ ተቃላዕቲን ኣዝዩ ዘድልዮምን ሰባት ንምቅራብ ስለዘኽእል\" ኢሎም። መራሕቲ ህወሓት ኣንጻር ሰራዊት ኢትዮጵያ መሊሶም ይዋግኡ ከምዘለው ገሊጾም ኣለው። እንተኾነ ኣገልግሎት ርክባት ስለዝተቋረጸን መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ክልል ትግራይ ንምእታው ክግበር ንዝኽእል ፈተነታት ብጽኑዕ ስለዝቆጻጸሮን፣ ብክልቲኦም ሓይልታት ንዝዋሃብ ሓበሬታ፣ ንምርግጋጽ ኣይካኣልን። ኣብ ውግእ ክልል ትግራይ፣ ኣሻሓት ሞይቶም፣ ልዕሊ ሚልዮን ሰባት ተፈናቂሎም፣ 45 ሽሕ ሰባት ድማ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%BB%E1%89%85%E1%88%8E-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5699155.html"} {"headline":"ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተሓዙን ዝሞቱን ብምውሳኹ ሃገራት ዝተፈላለየ እገዳ የንብራ ኣለዋ","content":"መትሓዝን ሞትን ኮቪድ19 ኣብ ዙርያ ዓለም መዓልታዊ ክብረ ወሰን ምስባሩ ቀጺሉ`ሎ: ሃገራት ድማ ነቲ ቫይረስ ንምዕጋቱ ብዝብል ብእኡ መጠን እገዳታት ምግባር ይግደዳ`ለዋ። ጀርመን ቁጽሪ መትሓዝታ ልዕሊ ሓደ ሚልየንን 350 ሽሕን ድሕሪ ምኻዱ ካብ ረቡዕ ጀሚራ እገዳ ክትገብር መዲባ`ላ-።ጣልያን ንእንግሊዝ ብምቕዳም ኣብ ኤውሮጳ ዝበዝሑ ዝሞትዋ ሃገር ኮይና`ላ። ብኻልእ ወገን ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ ንክታበት ፋይዘርን ባዮንተክን ድሕሪ ምጽዳቑ፡ ቀዳማይ ጽዕነት ክታበት ኣብ ዞባዊ ማእከላት ክበጽሕ ጀሚሩ`ሎ። ሜክሲኮ`ውን ነቲ ክታበት ንህጹጽ ጠቕሚ ኣጽዲቓቶ`ላ። ብሪጣንያ: ባህሬንን ካናዳን ከምኡ`ውን ስዑዲ ዓረብ ነቲ ክታበት ኣጽዲቐንኦ ኣለዋ። ኣብ ኣዝዩ ዝሑል መትሓዚ ዝጉዓዝ ክታበት ኮቪድ ትማሊ ናብ ማእከላት መከፋፈሊ ክጉዓዝ ጀሚሩ`ሎ።ኮሚሽነር ምምሕዳር መንግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ ስተፈን ሓን ንሲ ኤን ኤን ክዛረብ ከሎ እቲ ክታበት ካብ ሎሚ ሰኑይ ጀሚሩ ክውሃብ ክጅምር ተስፋ ንገብር ኢሉ ። ሰራሕተኛታት ጥዕናን ዓበይትን ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ክታበት ከምዘለዉ`ውን ተሓቢሩ`ሎ። ብኻልእ ወገን ፕረሲደንት ትራምፕ፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ሰራሕተኛታት ዋይት ሃውስን ካብ ቀዳሞት ክታበት ክረኽቡ ኣመሓላሊፍዎ ዝነበረ መምርሒ ስሒብዎ`ሎ። ኣብ ምምዕባል ክታበት ላዕላዋይ ኣማኸሪ መንግስቲ ሞንቸፍ ስላዊ ትማሊ ሰንበት ንፎክስ ንውስ ክገልጽ ከሎ፥ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት፡ 100 ሚልየን ኣመሪካውያን ነቲ ክታበት ክወስዱ`ዮም ኢሉ። እንተኾነ፥ ካብ ርብዒ ክሳብ ፍርቂ ዝኾኑ ኣመሪካውያን ብዛዕባ ምውሳድ`ቲ ክታበት ምትእምማን ከምዝሓጽሮም ይግለጽ ኣሎ። መንግስቲ ብዛዕባ ድሕነት`ቲ ክታበት ዝያዳ ግልጺ ክኸውን ኣለዎ ይብል ሚስተር ሓህን። ፈተናታት`ታ ክታበት ከምዘርኣዮ 95% ውሑስ ኮይኑ`ሎ። ቫይረስ ኮሮና ምትሕልላፉ ደው ኣቢሉ ንምባል ካብ 75 ክሳብ 80% ህዝቢ ኣመሪካ ክሳብ ወርሒ ግንቦትን ሰነን ክኽተብ ኣለዎ ይብል ኣማኻሪ መንግስቲ ሞንቸፍ ስላዊ። እቲ ክታበት ቅድሚ ኣብ ጠቕሚ ምውዓሉ፥ ትሕቲ ዜሮ 70 ድግሪ ሰልስየስ ኣብ ዘለዎ ዛሕሊ ክኽዘን ኣለዎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%89%A5%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%93%E1%8B%99%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%9E%E1%89%B1%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%B9-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A8-%E1%8A%A5%E1%8C%88%E1%8B%B3-%E1%8B%A8%E1%8A%95%E1%89%A5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8B\/5699049.html"} {"headline":"ኣህጉራዊ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ክኣቱ ጀሚሩ","content":"ኣህጉራዊ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ክኣቱ ጀሚሩ። መድሃኒትን ቀረባት ረድኤትን ዝጸዓና መካይን ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል- ድሕሪ`ቲ ኩናት ንመጀመርያ ግዜ ናብ ክልል ትግራይ ክኣትዋ ክኢለን ኣለዋ። ኣብ ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ዳይሬክተር ኣፍሪቃ ፓትሪክ ዮሱፍ፥ እቲ ረድኤት ንሆስፒታላትን ንዝያዳ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባትን ቀልጢፉ ክበጽሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ይጠቅስ። ንሱ ኣስዒቡ ዶክተራትን ኣለይቲ ሕሙማትን ንሰሙናት ብዘይ ቀረባት`ዮም ጸኒሖም ኢሉ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%85%E1%8C%89%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%A8%E1%8B%B5%E1%8A%A4%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%8A%A3%E1%89%B1-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9\/5699001.html"} {"headline":"ግዝያዊ ካቢነ ክልል ትግራይ ተጣይሱ ስራሕ ምጅማሩ ብልጽግና ፓርቲ ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ","content":"ብልጽግና ፓርቲ ክልል ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ሃገርን ብክልልን ደረጃ ዝንቀሳቐሱ ፖለቲካዊ ፓርትታት ዝሓቖፈ ግዚያዊ ካቢነ ተጣይሹ ሎሚ ሶኑይ ስራሕ ምጅማሩ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብልጽግና ፓርቲ ክልል ትግራይ ኣቶ ነብዩ ስሑል ሚካኤል ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።ብኻልእ ወገን ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ድሕሪ ግጭት ንፈለማ ግዜ ናይ ሕክምና ናውቲ ናብ መቐለ ምእታው ኣፍሊጡ። ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ክጣየሽ ብዝፈቐዶ መሰረት ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት መምርሒ ኣውፂኡ ግዚያዊ ምምሕዳር ድማ ቻርተር ምጥያሹ ዝገለፁ ኣብ ትግራይ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብልፅግና ፓርቲ ኣቶ ነብዩ ስሑል ሚካኤል ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ትግራይ ከባቢታት ነቲ ህዝቢ ናይ ምርግጋእ ስራሕ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም። ኣቶ ነበዩ እቲ ህዝቢ እውን ይጠቐምኒ እዩ ዝብሎ ናይ ባዕሉ ዝኾነ መሪሕነት ክመርፅ እናተገበረ ዝፈረሰ መሓውር ምምሕዳር ዳግም ብግዚያዊ ምምሕዳር ብምትካእ ህዝቢ ከይተኣጓጎል ካብ መንግስቲ ትፅቢት ዝገብሮ ኣገልግሎት ከይስእን እናገበረ እዩ ዝርከብ ኢሎም ። ናይቲ ክልል ግዚያዊ ምምሕዳር ግዚያዊ ከም ምዃኑ መጠን ንኩሉ ከሳተፍ ኣለዎ ዝበሉ ንሶም ‘'ኣብቲ ክልል ይኹን ብደረጃ ሃገር ዝንቀሳቐሱ ፖለቲካዊ ፓርትታት እውን ተሳተፍቲ ኮይኖም ኣለው።ወልቀሰባትን ዝተፈላለዩ ስቪክ ማሕበራትን ንህዝቢ ትግራይ ነበርክቶ ኣለና ዝብሉ ኩሎም ሕጋዊያን ኣካላት ክሳተፍ ይግበር እዩ ዘሎ’’ ኢሎም። ኣገልግሎት መብራህቲ ኣብ ከተማ መቐለን ገለ ከተማታትን ምጅማሩ እውን ወሲኾም ሓቢሮም። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ድሕሪ ግጭት ንፈለማ ግዜ ናይ ሕክምና ናውቲ ዝፅዓና ሸውዓተ መካይን ናብ መቐለ ምእታው ገሊፁ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/tigray-provisional-adminstration-announced-the-establishment-of-a-new-cabinet\/5698988.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ከተማ መቐለ ብምብጻሕ ምስ ኣዘዝቲ ሰራዊት ተራኺቡ:ተዘራሪቡ","content":"ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ተረኺቡ፡ ኣንጻር ህወሓት ዝተኻየደ ኩናት ኣብ ሓጺር ግዜ ዛዚምናዮ ኣለና ኢሉ። ቀዳማይ ሚኒስትር ​ ኣብ​ይ ኣብቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝገበሮ ምብጻሕ፡ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣድናቖቱን ምስጋንኡን ድሕሪ ምግላጽ ምስ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ተማኺሩ ተመሊሱ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%98%E1%8B%9D%E1%89%B2-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A1-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A1\/5698985.html"} {"headline":"'ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ንክወጽእ' ኣሜሪካ ጸዊዓ","content":"ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ \"ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ ይዋግኡ ከምዘለው ተኣማኒ ጭብጢታት ኣሎ፣ እዚ ነገር’ዚ ከቢድ ምዕባለ እዩ። ስለዚ እቲ ሰራዊት ብህጹጽ ካብ ኢትዮጵያ ንክወጽእ ንሓትት\"ኢሉ ። መግለጺ ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ወሲኹ \"ኣብ ክልል ትግራይ፣ መግሃስቲን መጥቃዕቲን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈጸመ ፈሊጥና ኣለና፣ ኩሎም ወገናት፣ ንሰብኣዊ መሰላትን ዓለም ለኻዊ ሕጊታትን ከቅየዱ\" ይግባእ ይብል ። መግለጺ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ \"ንሕናን ዓለምለኻዊ መሻርኽትናን፣ እቶም ዝተፈጸሙ ሪፖርታት መግሃስቲ ብናጻ ወገን ክጻረዩን፣ ፈጸምቲ’ቲ ገበን ናብ ፍርዲ ንክቀርቡን ንሓትት ኣለና\"ድሕሪ ምባል ተዋጋእቲ ወገናት፣ ንሰላም ክሰርሑ፣ ንስደተኛታት ወሲኹ፣ ንሰላማዊያን ሰባት ካብ ጥቅዓት ከድሕኑ፣ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ቀረባት ብዘይደረት ንክሓልፍ ከኽእሉ’ውን ጸዊዑ። መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ’ዚ ሓድሽ ምዕባለ’ዚ ዛጊድ ዝሃቦ ወግዓዊ መልሲ የለን። ኣብ ምጅማር እቲ ውግእ ግና ‘የለናሉን’ ከምዝበለ ዝዝከር እዩ። ህወሓት ብተደጋጋሚ ‘ሰራዊት ኤርትራ ኣብ’ቲ ውግእ ይሳተፍ ኣሎ’ ክብል ድሕሪ ዝሃቦ ተደጋጋሚ ክሲ፣ መልሲ መንግስቲ ኤርትራ ንምርካብ ኣብ ዝገበርናዮ ጻዕሪ፣ ሓደ መንነቶም ዘይተገልጹ ኤርትራዊ ባዓል ስልጣን ‘ንበለኻ ለኽዐካ መልሲ ኣይንህብን’ ኢሎምና ኣለው። መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን እንተኾነ፣ነዚ ዳሕረዋይ መግለጺ ሚኒስትር ወጻኢ አሜሪካ ዝሃቦ ወግዓዊ መልሲ የለን። ኣብ ናይ ትማሊ ዜና ከምዝጠቀስናዮ ግና፣ ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ፣ ንዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዩ ጉተረዝ ‘ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ዘሳሓሕቡ ዝነበሩን ንኤርትራ ብዳይነት ኣብዝተዋሃቡን ከባቢታ ጥራሕ’ዮም ዘለው ኢሎምዎም’ ዝብል ሪፖርት ከምዝጸብጸብና ዝዝከር እዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%8B%88%E1%8C%BD%E1%8A%A5-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%93-\/5696278.html"} {"headline":"'ኣብ ልዕሊ ህወሓት ቕልጡፍ ዓወት ዘመዝገብና ፍትሓዊ ኵናት ስለ ዘካየድና እዩ' ጀነራል ብርሃኑ ጁላ","content":"ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ቕልጡፍ ዓወት ዘመዝገብናዘመዝገበ ፍትሓዊ ኵናት ብምክያዱ እዩ ኢሎም ጠቕላሊ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ጀነራል ብርሃኑ ጁላ።ፕሬዝዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ብወገነን ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘመዝገቦ ተጋድሎን ዓወትን ኣብ ታሪኻ እናተዘከረ ዝነብር እዩ ኢለን ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ምምስጋን። ትማሊ ሓሙስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስካይ ላይት ሆቴል ንሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንምምስጋን ኣብ ዝተዳለወ ስነስርዓት ጠቕላሊ ኤታማዦር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝተኻየደ ወታደራዊ ወፍሪ ኣብ ሓፂር ግዜ ብዓወት ምዝዛሙ ገሊፆም። ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ሚሊሺያን ፖሊስን ክውድብ መሰል ዝተወሃቦ እቲ ንናይ ባዕሉ ክልል ንምክልኻል እምበር ንኢትዮጵያ ንምውራር ክጥቀመሉ እዩ ተባሂሉ ኣይሕሰብን ኢሎም። ናብ ምክልኻል ዝኣተው ወታደራት ተወለድቲ ትግራይ ዝኣተወ ንኢትዮጵያ ንምሕላው ከይኮነስ ንናይ ህወሓት ኣጀንዳ ንምሕላው ምዃኑ ኣለዓዒሉ ንኢትዮጵያ ክወርር እዩ ኢሉ ዝሓሰበ የለን ኢሎም ብምውሳኽ። ህወሓት ብዝወልዖ ሓዊ ናይ መወዳእትኡ ኣቀላጢፉ ኣሎ ኢሎም። ሎሚ ኩሉ ነገር ተወዲኡ እዩ፤ኢትዮጵያ ሓንቲ ኮይና እያ፣መራሕቲ ህወሓት ካብ መኪና ወሪዶም እግረኛ ኮይኖም ኣለው፣ነቲ እግረኛ ንሃድኖ ኢና ዘለና፣ኣራሪና ናብ ሕጊ ክነቕርብ ኢና ኢሎም ጀነራል ብርሃኑ። ዝተወረሩ ኣፅዋራት እውን ተመሊሶም ኣለው ክብሉ ወሲኾም ገሊፆም። ህዝቢ ብዘይ ሰራዊት ሰራዊት ብዘይህ ህዝቢ ምንባር ኣይክኣልን ብደገፍን ሓገዝን ህዝቢ ስዒርና ኣለና ንህዝቡ ትግራይ ካብቲ ጉጅለ ነፃ ምውፃእ ተኻኢሉ ኣሎ ኢሎም። ኣብቲ ስነስርዓት ተረኺበን መደረ ዘስምዓ ናይ ኢፌዴሪ ፕረዝዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ብሰራዊት ምክልኻል ዝተመዝገበረ ዓወት ኣብ ታሪኽ ተፃሒፉ ክቕመጥ እዩ ኢለን። ብኻሊእ ዜና ብህወሓት ተማሪኾም ዝነበሩ ናብ 5,000 ዝፅግዑ ኣባላት ሰራዊት ሰሜን እዚ ኣብዚ ሰሙን ብወገን ተከዘ ኣቢሎም ናብ ዞባ ማእኸላይ ጎንደር ወረዳ በየዳ ይኣትው ከምዘለው ቤት ፅሕፈት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ናይቲ ወረዳ ኣፍሊጡ። ምሉእ ት ሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopian-defence-forces-saluted-by-the-victory-on-tplf-in-addis-ababa\/5696223.html"} {"headline":"ቁጽሪ ካብ ክልል ትግራይ ናብ ሱዳን ዝስደዱ ስደተኛታት 50 ሽሕ ምብጽሑ ተገሊጹ","content":"ቁጽሪ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ዝሃደሙ ስደተኛታት 50 ሽሕ ከምዝበጽሐ፣ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ዓርቢ ገሊጹ። ብመሰረት ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት(UNHCR) ባባር ባሎች \"ካብ ውግእ ክልል ትግራይ መዓልታዊ 500 ሰባት ናብ ሱዳን ይኣትው ኣለው።\" እቲ ትካል ወሲኹ ካብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ናብ ሱዳን ይሰግሩ ዘለው ሰባት፣ ደኺሞምን ጽምልዮምን እዮም ዝራኣዩ፣ ናብ ሱዳን ቅድሚ ምስጋሮም እንተዋሓደ ንክልተ ሰሙን ብእግሮም ዝተጓዓዙን’ውን እዮም ይብል ። ባባር ባሎች ወሲኹ \"ናብ ምብራቅ ሱዳን ዝኣተው ስደተኛታት፣ ኣብ መገዲ ንብረቶምን ገንዘቦምን ከምዝተዘርፉ፣ ካብ’ቶም ዘረፍቲ ንምህዳም ኢሎም ፈቆዶ ጣሻን በረኻን እናተሓብኡ ከምዝቀነዩን’ውን ጠቂሶምልና፣ ብዙሓት’ውን ተሓቢኦም ይህልው እዮም፣ እንታይ ይኾን ከምዘሎ ንጹር ስእሊ የብልናን \"ኢሉ። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብኩነታት ኣብ ክልል ትግራይ ተዓቑቦም ዘለው ኤርትራዊያን ስደተኛታት ምሒር ከምዝተሻቀለ ብምሕባር፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ ሲቪላትን ኤርትራዊያን ስደተኛታትን ምሕላፍ ክሳብ ሎሚ ከምዘይፈቀደ’ውን ባባር ባሎች ጠቂሱ። ንሱ \"ጸጥታዊ ስምምዕነት ምስ ዝዛዘም፣ ቀረባት ንምብጻሕ ተወዲኖም ይጽበዩ ኣለው። ንሓደ ወርሒ ርክባት ዝተቋረጾም ሰባት፣ ኣብ ኣዝዩ ሕማቅ ኩነታት ከምዝህልው ዘጠራጥር ኣይኮነን። ስለዝኾነ፣ ቀልጢፍና ክነርክበሎም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ\"ይብል ። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ መግለጺኡ፣ ኩሎም ተዋጋእቲ ሓይልታት፣ ንናጽነት ምንቅስቃስ ናብ ሲቪላት ከኽእሉን ተማሕጺኑ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%8B%B1-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-50-%E1%88%BD%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%88%91-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5696263.html"} {"headline":"'ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ይዋግኡ ከምዘየለው ገሊጾምለይ' ዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃገራት","content":"“ሰላም ኢትዮጵያ፣ ንምዕባለ ህዝባን እቲ ዞባን ኣዝዩ ኣገዳሲ ከምዝኾነ” ዝጠቀሱ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ “ቀዳምነት ዝሰራዕናዮ ድሕነት ህዝቢ ትግራይ እዩ፣ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ’ቶም ዘድልዮም ብቅልጡፍ ክባጻሕ ምግባርን ንሙሉእ ዓቅምታት ሕቡራት ሃገራት ነወሃህዶ ኣለና” ኢሎም። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ \" ናብ ክልል ትግራይ ብዘይገለ ጸገም ንክንኣቱ ክንክእል ኣለና ኢለ ሎሚ’ውን ጸቂጠ ክዛረብ ይደልይ፣ ኣብ ትግራይ ልዕልና ሕጊ ክረጋገጽ፣ ጸጥትኡ ዝተረጋገጸን ሰብኣዊ መሰላት ብምሉእነት ክሕሎን ናብ ሓቀኛን ነባሪን ዕርቂ ንክምለስን\" ጸዊዖም። ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን፣ ንኢትዮጵያ ትመርሖ ተበግሶ ንምድጋፍ ቅሩባት ኢና ዝበሉ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት \"ኩሉ ሓቆፍ ልዝብን ዕርቂን\" ክካየድ ደጊሞም ኣዘኻኪሮም። \"ልክዕ ዓሚ ከምዚ ሎሚ፣ ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ሽልማት ኖቤል ሰላም ተቀቢሎም። ኣብ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት’ውን እዮም ተረኪቦምዎ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ሎሚ፣ መንግስቶም ብመሰረት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ‘ከቢድ ግህሰት መሰላት ብምፍጻም ይኽሰስ ኣሎ። ስለዚ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ትርር ምባል’ዶ የድሊ? ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት’ዶ ስጉምቲ ክወስድ ኣይግባእን’ዩ? \"ዝብል ሕቶ ቀሪቡሎም ዋና ጸሓፊ ክምልሱ ከለው \"ከምዝመስለኒ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣገዳሲ ዝርርብ ምክያድ ጊዚኡ እዩ። ከምዝጠቀስክዎ፣ ልዕልና ሕጊ ክረጋገጽ፣ ሰብኣዊ መሰላት ክሕሎ፣ ሓቀኛ ዕርቂን ሰብኣዊ ቀረባት ብዘይደረት ክባጻሕን ኣለዎ። እዚ’ውን ኢና ንገብር ዘለና’ ኢሎም። ኣብዚ ቀረባ ምስ ቀ\/ሚ ኣብ ዝነበረኒ ዝርርብ፣ ናብዞም ዝጠቀስክዎም ኣንፈት ነምርሕ ነይርና ዝበሉ ኣንቶንዮ ጉተረዝ፣ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ’ውን ተመሳሳሊ ዝርርብ ከምዝተካየደ ኣይከወሉን። ካልእ ዝቀረበ ሕቶ \"ብዛዕባ ኣብ ክልል ትግራይ ይቅጽል ዘሎ ውግእ ሓበሬታ’ዶ ኣለዎም? ከምኡ'ውን ወትሃደራት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ይዋግኡ እንተልዮም ሕ\/ሃ ዝረኸቦ ጭብጢ’ዶ ኣሎ?\" ዝብል ነይሩ:ዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃ ንቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ጠቂሶም ክምለሱ ከለው \"ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተው ዝሕብር ጭብጢ የብልናን፣ ንቀ\/ሚ ኣብዪ ብቀጥታ ሓቲተዮም፣ ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ዘሳሓሕቡ ዝነበሩን ንኤርትራ ብዳይነት ኣብዝተዋሃቡን ከባቢታ ጥራሕ’ዮም ዘለው\" ኢሎምኒ። \"እዚ ፊት ንፊት ኣብ ዝሓተትኩዎም እዋን ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ዝበሉኒ እዩ\" ኢሎም። ብዛዕባ ውግእ ክዛረቡ ከለው \"ውግእ ሓሓሊፉ ከምዘሎ ሓበሬታ ኣለና\" ከምዝበሉ እቲ ዜና ይሕብር። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%AD%E1%8B%8B%E1%8C%8D%E1%8A%A1-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%A8%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8B%AD-%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%8A-%E1%88%95%E1%89%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-\/5694920.html"} {"headline":"ኣብ ምግታእ ኤችኣይቪ\/ኤይድስ ዘተባብብዕ ውጽኢት ከምዝተመዝገበ ሚ.ጥዕና ኤርትራ ገሊጹ","content":"ኣብ ምግታእ ኤችኣይቪ\/ኤይድስ ዝተመዝገበ ውጽኢት ነቲ ለበዳ ናብ ዜሮ ንምውራድ ትስፍው ኣንፈት ዝህብ ከምዝኾነ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሓላፊት ኣሃዱ ምቁጽጻር ሕማም ኤይድስን ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ሲስተር ንግስቲ ተስፋሚካኤል ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢራ። ኣብ ሓፈሻዊ ህዝቢ እቲ ቁጽሪ ትሕቲ 1% ከምዝወረደን ካብ ምትሕልላፍ ኣደ ናብ ዕሸል ዳርጋ ናብ ዜሮ ከምዝወረደን ሲስተር ንግስት ወሲኻ ኣረዲኣ።ኣብ እዋን ኮቪድ 19 ናይ መናውሒ መድሃኒት ጸገማት ከምዘይነበረ ዝተዛረበ ኣቦ መንበር ማሕበር ብድሆ ኤርትራ ኣቶ ዳንኤል ኣስፍሃ ኣብ ንጥፈታት ናይ’ቲ ማሕበርን መነባብሮ ኣባላቱን ግን ጽልዋ ከምዝነበሮ ገሊጹ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%89%B3%E1%8A%A5-%E1%8A%A4%E1%89%BD%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%89%AA-%E1%8A%A4%E1%8B%AD%E1%8B%B5%E1%88%B5-%E1%8B%98%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%89%A5%E1%8B%95-%E1%8B%8D%E1%8C%BD%E1%8A%A2%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%89%A0-%E1%88%9A-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5694873.html"} {"headline":"ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ክልል ትግራይ መጥቓዕቲ ሳይበር ከምዝተፈተነ ገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሰሜን ክልል ኣገልግሎት ቴሌኮም ዝተቋረፀ ካብቲ ትካል ወፃኢ ብዝኾኑ ኣካላት ኣብ ዝተፈላለዩ ጣቢያታት ብዝተፈፀሙ ናይ ዕንቅፋታት ምዃኑ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮቴሌኮም ኣፍሊጠን። እዚ ተግባር እዚ ምስተፈፀመ ኣብ 14 መዓልታት ጥራሕ ናብ 40 ቢሊዮን ዝኾኑ ናይ ሳይበር መጥቓዕትታት ኣብታ ሃገር ዝተፈላለዩ ትካላት ምፍታኑ እውን ተዛሪበን። መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ከኣ ህወሓት እዩ ኣብቲ ክልል ኣብ ዘሎ መደብራት ጉድኣት ብምውራድ ክቋረፅ ዝገበረ ኢሉ ኣሎ። ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከቡ ኣምባሳደር ፍስሃ ኣስገዶም ነዚ ክሲ ብምንፃግ ባዕሉ እቲ ፌደራል መንግስቲ እዩ ክቋረፀ ገይሩ ኢሎም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE-%E1%89%B4%E1%88%8C%E1%8A%AE%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%88%B3%E1%8B%AD%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%89%B0%E1%8A%90-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5694867.html"} {"headline":"ክልተ ሰነተራት ኣሜሪካ ኣብ ክልል ትግራይ ንዘሎ ግጭት ሰላማዊ መፍትሒ ዝበልዎ ውሳነ ኣቕሪቦም","content":"ኣብ ሰኔት ኣሜሪካ ኣቦ መንበር ኮሚቴ ርክባት ወፃኢ ዝኾኑ ሪፓብሊካዊ ሰኔተር ጂም ሪስችን ናይ ስቪል ድሕንነት፣ዴሞክራስን ሰብላዊ መሰላትን ዝቆፃፀር ናይ ሰኔት ንኡስ ኮሚቴ ኣባል ዝኾኑ ኣባል ዴሞክራቲክ ፓርቲ ቤን ካርዲን መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ኩሉ ተፃብኦታት ደው ከብሉ ዝፅውዕ፣ ሰብኣዊ መሰላት ክሕልውን ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጥረ ግጭት ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕ ዝሓትትን ውሳነ ትማሊ ረቡዕ ኣቕሪቦም። ሰኔተር ሪስች “ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጥረ ግጭት ኣብ ሰብኣዊነት ከቢድ ኩነታት ከምኡ እውን ኢትዮጵያ ናብ ዴሞክራሲ ንእተካይዶ ታሪኻዊ ስግ ግር ስግኣት እዩ’' ኢሎም ። ’’እዚ ናይ ሓባር ውሳነ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝመራሕ ፌደራላዊ መንግስትን ህወሓትን ቅሬታታት ዘስተኻኽልን እቲ ግጭት ብሰላማዊን ነባሪን ጠጠው ንምባል ክላዘቡ ዘተባብዕ እዩ።ብምውሳኽ ዝተረጋግአትን ዴሞክራሲያዊትን ኢትዮጵያ ንናይቲ ከባቢ ድሕንነት ወሳኒ እዩ፤ኣሜሪካ ድማ ዴሞክራሲ ንምምዕባል ብቅኑዕ ልቦና ፃዕርታታ ክትቕፀለሉ እያ’’ ኢሎም ። ሰኔተር ካርዲን ብወገኖም ‘'ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ይካየድ ዘሎ ውግእ ድሮ ብኣሽሓትን ዝቑፀሩ ሰባት ዝቐተለን ኣዚዩ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝፈጠረን ብምዃኑ ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንምርግጋእ ብምሉኡ እቲ ዞባ ዘስግእ እዩ’’ ኢሎም። ሰኔተር ካርዲን ብምውሳኽ “ስለ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኣብ ዳያስፖራ ዝርከቡን ብዙሓት ኣብ ሜሪላንድ ንዓቶም ብምውካለይ ኩርዓት ዝስምዐኒን እቲ ህወከት ጠጠው ክብል ኣለዎ።ኣብዚ ግጭት ዝሳተፉ ኩሎም ናብ ዕርቂ፣ፍትሒን ነባሪ ሰላምን ክሰርሑ ኣለዎም’' ኢሎም ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%8A%90%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%92-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%8D%E1%8B%8E-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%8A%A3%E1%89%95%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/5694774.html"} {"headline":"ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይን ፕረዚደንት ኡሁሩን ንመተሓላለፊ ዶብ ሞያሌ መሪቖም ከፊቶም","content":"ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን ናይ ኬንያ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬኒያታን ሎሚ ረቡዕ ንመተሓላለፊ ዶብ ሞያሌ መሪቖም ከፊቶም።ንናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደት ኬንያ ዝኣተወ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ኢትዮጵያ፣ኬንያን ደቡብ ሱዳንን ብመሰረተ ልምዓት ንምርኻብ ዝተሓሰበ ናይ ፕሮጀክት ከይዲ ክዕዘቡ እዮም ተባሂሉ ኣሎ።ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ነበርቲ እቲ ከባቢ ናይ ዶብ ሰላም ክሕልው ሓቲቶም ኣለው። ሎሚ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን ረዚደንት ኡሁሩ ኬኒያታን ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ እትርከብ ከተማ ሞያሌ ተረኺቦም ኣካል ዝዓበየ ፕሮጀክት ዝኾነ 1,000 ኪሎ ሜትር መንገዲ መተሓላለፊ ዶብ ሞያሌ መሪቖም ኣለው። ክልቲኦም መራሕቲ ናይቲ ፕሮጀክት ምዝዛም ኢትዮጵያን ኬንያን ብቁጠባ፣ማሕበራዊ መዳይ ብዝበለፀ ዘሐይል እዩ ኢሎም ኣለው። ዝተገበረሎም ኣቀባብላ ዘድነቑ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ንነበርቲ ዶብ ክልቲአን ሃገራት እንኳዕ ሓጎሰኩም ኢሎም። ‘’እዚ ኣብ መንጎና ዘሎ ሰብ ሰራሕ ዶብ በዚ ዝተሃነፀ መሰረተ ልምዓት ፈሪሱ ኣሎ ዝብል ግምት ኣለኒ’’ ዝበሉ ንሶም እዚ ሎሚ ዝተመረቐ ፕሮጀክት ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዝርከቡ ስድራታት ናብ ሓደ ክመፁ ዘለዎ ተኽእሎ፣ብተወሳኺ እውን ኣብ ንግዲ፣ቁጠባን ቱሪዝምን ኣብ ዝኣመሰሉ ክጣመሩ ዝገብር እዩ ኢሎም። ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ጉዳይ ሰላምን ፀጥታን ብዝምልከትንነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ‘’ማዕረ ንምዝዛም መሰረተ ልምዓት ዝሰራሕኹምዎ ንናይቲ ከባቢ ሰላም ፀንኪርኩም እጃምኩም ክትዋፅኡ ኣለኩም’’ ኢሎም።ብፍላይ ኣል ሸባብን ኦነግን ካብቲ ከባቢ እንተፅሪና ናይቲ ከባቢ ነበርቲ ሓደ ስድራ ሓደ ዜጋ ኮይኑ ብደስታ ክነብሩ እዮም ኢሎም። ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ዝተቐበሉ ፕረዚዳን እሁሩ ኬኒያታ ሰላማዊ ርከብ ዘለወን ክልቲአን ሃገራት ሎሚ እውን ኣብ መዳይ ንግድን ኢንቨስትመንትን ሓቢረን ክሰርሓ ኣለወን ምኽኒያቱ ነቲ ሕብረተሰብ ብዙሕ ዝጠቅም እዩ ኢሎም። ኬኒያታ ብምውሳኽ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ህዝብታት ንሰላሞም ዋርዲያ ክኾኑ ኣተሓሳሲቦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኦነግ ምስ ኣል ሸባብ ደሪቦም ብዛዕባ ዝተዛረቡዎ ግዚያዊ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኦነግ ኣቶ በቴ ኡርጌሳ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ምንታይ ኩነታት ኮይኖም ከምዝተዛረቡ ክንሓትት ኢና ኢሎም። No media source currently available ሓላፊት ክፍሊ ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ቢልለኔ ስዩም ኣማሲየን ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብኦ ቃል ቀዳማይ ሚኒስትር ሎሚ ኦነግ ብዝብል ዝጠቐሱዎ እቲ ፓርቲ ከይኮነስ ናይ ኦነግ ሸኔ ዕጡቓት ማለቶም እዩ ኢለን ኣለዋ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣብ ናይ ክልተ መዓ ፃኒሕቶም ፅባሕ ናብ ወደባዊት ከተማ ለሙ ብምኻድ ዑደት ክፍፀሙ እዮም። ብኢንግሊዝኛ ሓፂር ኣፀዋውዓ ላፕሴት ኮሪደር ብዝብል ሽም ዝፍለጥ ኣብ 1975 ኣ\\ፈ ዝተነደፈ ፕሮጀክት መሰረተ ልምዓት ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ንሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ብመሰረተ ልምዓት ንምርኻብ እዩ ዝዓለመ እዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/prime-minister-abiy-ahmed-of-ethiopia-is-visiting-kenya\/5693303.html"} {"headline":"ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕ\/ሃ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ውግእ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ይኸውን ኣሎ ኢለን","content":"ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ውግእ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ይኸውን ከምዘሎን ኣብ ልዕሊ'ቶም ብዘይ ረድኤትን መጽለሊን ዝተረፉ ሰላማዊያን ሰባት ድማ ከቢድ ሳዕቤን የውርድ ከምዘሎ ኮምሽነር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባችለት ገሊጸን። ሚሸል ባችለት‘ከምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሃቦ መግለጺ ዘይኮነ፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት ፌደራል መንግስቲን ህወሓትን ከምኡውን ኣብ ጎኖም ዝተሰለፉ ምልሻታትን ውግእ ቀጺሉ ኣሎ’ ይብላ። ንሰን ወሲኸን፣ ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ትካላት ረድኤትን ናብ’ቲ ውግእ ዝካየደሉ ትግራይ ክኣትው ከምዘይካኣሉ ጠቂሰን። እዚ ማለት፣ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕንፍሽፍሽ ዝመልኦ ሃዋሁ ንዝተቀርቀሩ ሰላማዊያን ሰባት ይወርዶም ዘሎ ኣሻቀልቲ መግሃስቲን መጥቓዕቲታትን ንምርግጋጽ ኣይተካኣለን ይብላ። እንተኾነ፣ ቤት ጽሕፈተን ዛጊት ዝረኸቦ ሓበሬታ ተኣማኒ ኮይኑ ከምዝረኸበኦ ገሊጸን። ኣብ ክልል ትግራይ ‘ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ብኣልማማ ንሰላማዊያን ሰባት ምጥቃዕ፣ ንብረት ዘረፋ፣ ስርቂ፣ መጭወይቲን ንደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ምድፋርን ዝሕብሩ፣ ንመናእሰይ ተጋሩ ኣገዲዶም እናመልመሉ ኣንጻር ናይ ገዛእ ባዕሎም ህዝቢ ንክዋግኡ ይግደዱ ከምዘለው እውን ዝሕብሩ ሪፖርታት ረኺብና ኣለና’ ኢለን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ሚሸል ባችለት፣ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰባት ግጭት ይላዓል ስለዘሎ ኣሻቃሊ ኩነታት ብምባል ይገልጻ። ንሰን ‘ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ ሶማሌ፣ ዓፋርን ኦሮምያን ዝተወልዑ ውግኣት፣ ሓደጋን ሞትን የስዕቡ ከምዘለው’ውን ጠቂሰን ይብል ሊዛ ሽላይን ካብ ጄኔቫ ዝላኣኸቶ ሪፖርት። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9D%E1%88%BD%E1%8A%90%E1%88%AD-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8B%8D%E1%8C%8D%E1%8A%A5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%8C%BD%E1%88%AD-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8B%AD%E1%8A%B8%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%8A%A2%E1%88%88%E1%8A%95\/5693270.html"} {"headline":"ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ክልል ትግራይ ዘይምእታው ከምዘሻቀሎ ትካል ረድኤት ኖርዌይ ገሊጹ","content":"ትካል ረድኤት ኖርዌይ‘ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ውዕል ድሕሪ ምፍራሙ ሓደ ሰሙን ሓሊፉ ከሎ፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ሎሚ’ውን ናብ ክልል ትግራይ ክኣቱ ዘይምኽኣሉ ከምዘጨነቆ’ ገሊጹ። ሓላፊ ትካል ረድኤት ኖርዌይ ያን ኢግላንድ ኣብ ዝፈነውዎ መልእኽቲ ‘ቆልዑ፣ ደቂ ኣንስትዮን ዓበይቲን ብሰንኪ እቲ ንሓደ ወርሒ ዝቀጸለ ግጭት ግዳያት ኮይኖም ከምዘለውን ካብ ደገ ረድኤት ክበጽሓሎም ከምዘይካኣለን’ ጠቂሶም። ያን ኢግላንድ‘እዞም ህዝቢታት ካብ’ዚ ንላዕሊ ክጽበዩ ኣይኽእሉን፣ ረድኤት ንከይበጽሕ ዕንቅፋት ምፍጣር ይኣክል፣ ረድኤት መግቢ ንክንዕድል ተቀሪብና ኣለና፣ ህጹጽ መልሲ ክንረክብ ይግባእ’ ኢሎም። ‘ኩሎም ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያን ናይ ሕቡራት ሃገራት መሻርኽቲን፣ ሰብኣዊ ረድኤት ዝባጻሓሉ ኣገባብ ክፈጥሩን፣ ረድኤት ናብ ዘድልዮም ህዝቢታት ክዕደልን ኣዘኻኪሮም’። እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቃለሖ ጻውዒት፣ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ንክሓልፍ ዳግማይ መጸዋዕታ ኣሕሊፉ። ልዕሊ ወርሒ ድሕሪ ዝተካየደ ውግእ፣ ኣማኢት ኣሻሓት ሰባት ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ከምዝርከቡ’ውን ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%BB%E1%89%80%E1%88%8E-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%A8%E1%8B%B5%E1%8A%A4%E1%89%B5-%E1%8A%96%E1%88%AD%E1%8B%8C%E1%8B%AD-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9-\/5692046.html"} {"headline":"11 መካይን ተወለድቲ ትግራይ ካብ ዳንሻ ተፃዒኖም ኣብ ሩባ ተከዘ ከምዘብፅሑዎ ነበርቲ ገሊፆም","content":"ኣብ ትግራይ ይካየድ ብዘሎ ግጭት ኣስታት 50,000 ሰባት ካብ ትግራይ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ኣብ ውሽጢ እውን ብዙሕ ስቓይን መከራን የሕልፉ ከምዘለው ሰባት ይዛረቡ። ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብፍልይ ድማ ኣብ ከባቢታት ዳንሻን ሑመራን ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ‘’ዘርኢ ናይ ምፅናት ወፍሪ’’ኢሎም ዝፀውዕዎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይወርዶም ከምዘሎ ይግለፁ። ምቕትል፣ወራር ንብረት፣ምብራዕ፣ብጅምላ ምእሳር፣ምንክልባት፣ካብቲ ከባቢ ምብራር፣ሃለዋቶም ምፍጥፋእ ከምዝሓውስ ነበርቲ ከተማ ዳንሻ ይነብሩ። ሽማ ክግለፀላ ዘይደለየት ነባሪት ከተማ ዳንሻ ካብ ስግኣት ዝተልዓለ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣዕቒቦም ዝነበሩ ቆልዑ፣ኣዴታትን ደቂ ተባዕቲዮን እቶም ናይቲ ከተማ ኣመሓደርቲ 11 ናይ ፅዕነት መካይን ኣምፂኦም ንቶም መንግስቲ ሰራሕተኛታት ኣትሪፎም ናብ ተከዘ ሩባ ከምዝወሰዱዎም ትገልፅ።ነፍሰፁራትን ሓራሳትንሓዊሱ ህፃውንቲ ዝርከቡዎም ምስ ምዃኖም ሃለዋቶም ከምዘተሓሳስባ ሓቢራ።ነዚ ቃለ ምልልስ ምስ ሃበት ድሕሪ ክልተ ማዕልታት ናብ ሱዳን ሰጊራ ኣላ። ንሳ ኣብ ከተማ ዳንሻ ሰለስተ ነጋዶ ከምዝተቐትሉ፣ ንብረት ከምዝዝረፍ፣ብዙሓት ሰባት ተኣሲሮም ናብ ጎንደር ከምዝተወሰዱን ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥን ትግለፅ። ተጋደልቲ ህወሓት ንዝነበሩ ንምጥያሽ ኣብ 1987 ዓ\\ም ብመንግስቲ ኣብ ዝተዳለወ ናይ እግሪ ምትካል ፕሮግራም ዝተጣየሰን ኣብ ናይ 17 ዓመት ብረታዊ ቓልሲ ህወሓትን ብምስታፍ ሓደ ኢዱ ዝሰኣነን ተጋዳላይ ነበር ን26 ዓመታት ኣብቲ ቦታ ዝነበረ እዩ። ኩሎም ኣካለ ስንኩላን ዝኾነ ተጋደልቲ ዝተጣየሹለን ሰለስተ መንደራት ከምዘልዋ፣ንሱ ኣውሮራ ኣብ ዝተብሃለ መንደር ከምዝነብር ብምሕባር እቲ ውግእ ምስ ተጀመረ ኣብቲ ናይ ሕራሻ ማእኸላት ዝተፈፀመ ዕንወት ማእለያ የብሉን ይብል። ‘'ኣብቲ ቦታ ዘሎ ተጋዳላይ ሓደ ኢዱ ዝተቖረፀ፣ሓደ እግሩ ዝተቖረፀ፣ሓደ ኢዱወይ ሓደ እግሩ ዝለመሰ’’ እዩ በለ። ምስ ኣርባዕተ ኣባላት ስድርኡ ፈቖዶ በረኻ ከምዝርከብ ዝገለፀ ንሱ ናይ ኣምሓራ ፍሉይ ሓይልታትን ናይ ወልቃይት ኣምለስቲ ሚሊሺያታትን ናብቶም ጣቢያታት ኣትዮም ንዝቕተል ቀቲሎም፣ንብረት ወሪሮም ክወስዱዎ ዘይክኣሉ ድማ ብሓዊ ኣባሪዖም ብምሉኡ ኣዒኒዮምዎ ይብል። ንሱ ዝፈልጦም ሽዱሽተ ሰባት ከምዝተቐተሉን ካልኦት ሰልስተ ድማ ከምዝቖሰሉን ብሰለስተ ዙር ብመካይን ተኣሲሮም ናብ ጎንደር ከምዝተወሰዱን ናብ ጎንደር ዝኸደ ግን ዝተመለሰ ከምዘይፈልጥን ሓቢሩ። እዚ ኹሉ በደል ዝተፈፀመና ብፍሉይ ሓይሊን ሚሊሽያን ክልል ኣምሓራ እዩ ዝበሉ እዞም ነበርቲ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ እናርኣዩ ከድሑኑና ኣይክኣሉን ይብሉ።ምኽትል ከንቲባ ከተማ ዳንሻ ን ኣቶ ሱልጣን ኣድማሱ ነቲ ክሲ ነፂጉዎ ኣሎ። ካብ ክልል ኣምሕራን ካብ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ምክልኻልን ሪኢቶ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን።ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰል ኮሚሽነር ብዛዕባ ዝተብሃለ በደል ከምዘይፈልጡ ብምግላፅ ክንምርምሮ ኢና ኢሎም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቱኡ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/residents-in-western-tigray-are-accusing-the-amhara-special-forces-of-abusing-thier-human-rights\/5691905.html"} {"headline":"ልኡኽ ኤርትራ ምስ ፕረዚደንት ሉኣላዊነት ሱዳን ተራኺቦም: ተዘራሪቦም","content":"ብሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕን አማኻሪ ፕረዚደንት የማነ ገብረኣብ ዝምራሕ ልኡኽ ሎሚ ሶሉስ ምስ ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ሉኣላዊነት ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ቡህራን ተራኺቦም:ተዘራሪቦም። እቲ ልኡኽ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ናብ ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ሉኣላዊነት ሱዳን ብምብጻሕ ኣብ ህልው ኩነታት ኢትዮጵያን ኣብ ዞባዊ ምርግጋእን ሰላምን ዘለዎ ሳዕቤን ምዝርራቦም ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ገሊጾም። ብተወሳኺ ክልቲኦም ወገናት ክልቲኣዊን ዞባዊን ምትሕብባር ንምድንፋእ ምስምማዖም ተገሊጹ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%88%89-%E1%8A%A3-%E1%8B%8A%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/5691702.html"} {"headline":"ወታደራት ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ኣሰሓሓቢ ናይ ሕርሻ ቦታ ምእታዎም ተገሊፆም","content":"ሰራዊት ሱዳን ናብ ኣሰሓሓቢር ናይ ሕርሻ ቦታ ናብ ኢትዮጵያ ወታደራት ምእታው ተፈሊጡ።መንግስቲ ሱዳን ብዛዕባ እቲ ወታደራዊ ምንቅስቓስ ሪኢቶ ኣይሃበሉን። ሓይልታት ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ናብ ዘዋስን ናይ ሕርሻ ከባቢ ብምእታው ንዝሓለፉ 25 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሚሊሺያታት ኢትዮጵያ ንዝነብሩ ቦታታት ተቖፃፂሮም ኣለው።እዚ ኣብ መንጎ ካርቱምን ኣዲስ ኣበባን ነዊሕ ዝፀንሐ ናይ ግጭት ምንጪ እዩ። ሽፍታ ተባሂሎም ዝፅውዑ ናይ ኢትዮጵያ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ እዋን ምሕፋስ ምህርቲ ብዕቱብ ብምንቅስቓስ በብዓመቱ ሱዳን ይግብኣኑ ኣብትብሎም ፋሻቃን ካሎት ከባቢታትን ዘራእቲ ኣብ ምስራቕ ዝለዓለ ምንቅስቓስ የካይዱ ነይሮም ይብል እቲ ዜና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/sudanese--military-enters-disputed-lands-in-ethiopia\/5690518.html"} {"headline":"'ወፍሪ ሕጊ ምኽባር ጠጠው ዝብል መራሕቲ ህወሓት ንፍርዲ ክቐርቡ ከለው እዩ' ብልጽግና ፓርቲ","content":" ኣብ ትግራይ ዝካየድ ወታደራዊ ወፍሪ ዝተወድአ እንተኾነ እውን ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ዝዛዘም ግን መራሕቲ ህወሓት ንፍርዲ ክቐርቡ ከለው ስለዝኾነ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ገዛኢ ውድብ ብልፅግና ገሊፆም። እዚ ኣብ ዝተወሰኑ ማዕልታት ክዛዘም ይኽእል እዩ ክብሉ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ሓላፊ እቲ ቤት ሕፈትን ኣቶ ብናልፍ ኣንዱኣለም ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም። ህወሓት ስልታዊ ምንስሓብ ገይረ ኣለኹ እናበለ ይገልፅ። ኣቶ ብናልፍ ግን ነዚ ኣበሃህላን ነዊሕ ናይ ደባይ ውግእ ክህሊ እዩ ንዝብልን ግምት ነፂጎምዎ ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/the-ethiopian-ruling-party-prosperity-party-is-vowing-to-arrest-tplf-leaders\/5690506.html"} {"headline":"መግለጺ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ","content":"ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ክልል ትግራይ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ድሕሪ ምዝዛሙ ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ዝተሰርሐ ስራሕ ዘዕግብ ውፅኢት ተረኺቡ ኢሎም ። ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎሚ ዓርቢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ካብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ጀሚሩ ካብ ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ክሳብ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኣብ ስራሕ ዲፕሎማሲ ተፀሚዶም ቀኒዮም ኣለው። እቶም ወሃቢ ቃል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ንፍሉይ ጉጅለ ልኡኽ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ናይ ወፃኢ ኣካላትን ህወሓት ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ዝፈፀሞም ገበናትን መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ዝወሰዶ ስጉምቲን ሕጊ ንምኽባር ምዃኑ ኣብሪሆምሎም ኢሎም ። ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ደመቀ መኮነን ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ጎረቤት ሃገራትን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣውሮጳን ዘካየድዎ ስራሕ ዘርዚሮም። \"ብፍላይ እቲ ስርሒት ብዓወት ድሕሪ ምዝዛሙ ናይ ስልኪ ምይይጥ ኣካይዶም እዮም።ቀንዲ ዝተልዓሉ ነገራት እቲ ወታሃደራዊ ስርሒት ብዝተሓተ ኪሳራ ከምዝተሰርሐ፣ዳግም እግሪ ምትካልን ኣብ ውሽጢ ይኹን ናብ ወፃኢ ዝተመዘበሉ ናይ ምምላስ ስራሕ ምጅማሩ እዩ።\" ናብ ልዝብ ምእታው ዝምልከት ብገለ ወገናት ብዛዕባ ዝለዓል ዝተጣየሸ ናይ ትግራይ ናይ መሰጋገሪምምሕዳር ስለዘሎ ኣድላይ እንትኾይኑ ምስኡ ልዝብ ምክያድ ከምዝከአል ምስ ስቪል ማሕበረሰብን ሽማግለ ዓድን ምዝርራብ ከምዝክኣል ሕጊ ብምጥሓስ ምስ ዝድለዩ ወገናት ግን ምዝርራብ ከምዘይሕሰብ ገሊፆምሎም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A2-%E1%89%83%E1%88%8D-%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8D%83%E1%8A%A2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B3%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%8B%B2%E1%8A%93-%E1%88%99%E1%8D%8D%E1%89%B2\/5688244.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ኣቶ ሬድዋን ሁሴን","content":"ኣቶ ሬድዋን ሑሴን ኣብቲ ምስ ሮይተርስ ዘካየዱዎ 45 ደቒቓ ዝወሰደ ቃለ ምልልስ ነቲ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ባይቶ ወከልቲ ዝሃቡዎ መብርሂ ዘራጉድ እዩ። \"ኣብ ማይ ካድራ ቁፅሪ ዝሞቱ ልዕሊ 700 እዩ ካብኡ ንላዕሊ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ\" ድሕሪ ምባል ኣብ ካልኦት ከተማታት ክልል ትግራይ ግን መከላኸሊ ሰራዊትና ኮነ ሓይሊ ኣየርና ዝቐተሎ ንፁሃን ሰብ የለን ንዝብል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ዝሃቡዎ መብርሂ ኣረጋጊፆም ኣለው። ኵናት ብከመይ ተላዒሉ ንዝብል ሕቶ ሮይተርስ ናይ መንግስቶም ኣረኣእያ ብዝርዝር ተዛሪቦም።ኣብዚ እዋን እዚ ኣመራርሓ ህወሓት ፍልይ ዝበለ ሜላ ቓልሲ ክንስዕብ ኢና ምባሎም ስዒቡ ከምቲ ኣብ 1960ታት ዝገበሩዎ ውግእ ድቢያ ወይ ብረታዊ ቓልሲ ክጅምሩ ይኽእሉ እዮም ንዝብል ካብታ ጋዜጠኛ ንዝቐረበ ኣናሽዮምዎ ኣለው። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ሎሚ ኣብ ዝለኣኹዎ ናይ ቲዊተር መልእኽቲ \"ኵናት ኣብ ሰለስተ ግንባራት ሓምሳ ኪሎ ሜትር ኣብ ዝርሕቐቱ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ኣብዚ ሕዚ እዋን እዚ ኢሳያስን ኣብይን ብዘይ ብኣልማማ ይድብድቡ ኣለው።እቶም ግዳያት ኸኣ ፍሉጥ እዩ ሰላማዊያን ሰባት እዮም\"ኢሎም ኣለው። አብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርኔትን ስለዘየሎ እቲ ኸባቢ ክኣ ንነፃ ጋዜጠኛታት ክፉት ብዘይምዃኑ እዚ ብነፃ ወገን ክረጋገፅ ኣይክኣለን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%88%AC%E1%8B%B5%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%88%81%E1%88%B4%E1%8A%95-\/5687782.html"} {"headline":"ትካል ስደተኛታት ሕ\/ሃ ሓገዝ ናብ ክልል ትግራይ ንምብጻሕ ድልው ምዃኑ ገሊጹ","content":"ወሃብቲ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ከይዶም ሓገዛት ንምሃብ ምድልዋቶም ከምዝዛዘሙን ነቲ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሃበና ፍቃድ ንፅበ ኣለና ክብል ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት (UNHCR) ሓቢሩ ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8B%B5%E1%88%8D%E1%8B%8D-%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%91-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5687773.html"} {"headline":"መራሒ ህውሓት ኣብ ከተማ መቐለ ህዝባዊ ተቓውሞ ምልዓሉ ይገልጹ: መንግስቲ ድማ ሰላም ናብቲ ቦታ ምምላሱ ይሕብር","content":"መራሒ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዶ\/ር ደብረፂዮን ገብረሚካኤል ድሕሪ ንወርሒ መመላእታ ክካየድ ዝፀንሐ ኲናት ኣብ ቁፅፅር ሓይልታት ፌደራል ዝአተወት ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ህዝቢ ናይተቓውሞ ሰልፊ የካይድ ምህላዉ ክገልፁ ከለዉ ናይታ ሃገር ቴለቪዥን ድማ ሰባት ስሩዕ ዕለታዊ ምንቅስቓሳቶም ከካይዱን ኮፍ ኢሎምን ብዘርእዩን ምስልታት ተዓጂቡ ሓዱሽ ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ኮይኖም ብፌደራል መንግስቲ ዝተሾሙ ህዝቢ ሰላሙ ተመሊሱ'ዩ ኢሎም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%92-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%88%9E-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8B%93%E1%88%89-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B9-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8B%B5%E1%88%9B-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%93%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%89%A6%E1%89%B3-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%B1-%E1%8B%AD%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%AD\/5687694.html"} {"headline":"ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ንጉዳይ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ቃል ምስክራት ሰሚዑ","content":"ትማሊ ሓሙስ ንጉዳይ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ንምስክራት ንምስማዕ ዝተሰየመ ንኡስ ኮሚቴ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ናይ ኣርባዕተ ምስክራት ቃል ሰሚዑ'ሎ። እቶም ምስክራት ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብፍላይ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ግጭት ብዝምልከት ንፈልጦ ኢና ዝበልዎ ንኣባላት'ቲ ቤት ምኽሪ ኣረዲኦም ኣለዉ። ካብ ካሊፎርንያ ዝተወከለት ኣባል ባይቶ ካረን ባስን ፥ ካብ ኒው ጀርሲ ዝተወከለ ክሪስ ስሚዝን ብዛዕባ ኢትዮጵያ ብዓሚቕ ከምዝፈልጡን ቅድሚ ሎሚ ናብ ኢትዮጵያ ተጓዒዞም ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ከምዝተራኸቡን ገሊጾም ኣለዉ። እቶም ምስክራት ዝሃብዎ ናይ ምስክርነት ቃልን ዝሃብዊ ምኽሪ ሓሳብን'ውን ሰሚዖም ኣለዉ። ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ኣደ መንበር ንኡስ ኮሚቴ ወጻእን ኣፍሪቃ ካረን ባስን ፣ ካብ ኒው ጀርሲ ዝተወከለ ክሪስ ስሚዝን ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዝካየድ ግጭት ቃለ-ምስክርነት ኣብ ዝሰምዕሉ እዋን፥ ናይ ባዕላቶም መረዳእታ ዝበልዎ`ውን ኣቕሪቦም ኔሮም`ዮም። ካረን ባስ ከምዚ ክትብል ዘረባኣ ከፊታ ኔራ፥ \"ንምስክራት ንምስማዕ ክንውስን ከለና ብዙሕ ሓሲብናሉ ኢና።ብዋናነት ግን ምስክራት ናይ ምስማዕ ተግባር ኣብ ወጻኢ ብዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ድፍኢት ዝተገብረ'ዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ምስክራት ንምስማዕ ምውሳን ይኸብደና'ዩ።ምኽንያቱ ንዕኡ ክንገብር ከለና ሰባት ንሓደ ወገን ክንውክል ይደልዩና ።ኣብዚ ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ግን ከምኡ ኣይሰርሕን'ዩ። ስለዚ ናይ ሎሚ መስርሕ ምስማዕ ምስክራት፥ውጽኢታዊ ኮይኑ ክትረኽብዎን ኢትዮጵያ ሰላማን ሓድነታትን ክትረክብ ኣብ ምሕጋዝ፡ኣሜሪካ ጠቓሚ ተራ ንክህልዋ ከም እንደሊ ክትርድኡ ተስፋ እገብር።ብተወሳኺ እዚ ቃለ ምስክርነት ኮነ ዝመሓላለፍ ውሳነ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት'ምበር ናይ መወዳእታ ኣይኮነን።\" ኮንግረስማን ክሪስ ስሚዝ ብወገኑ፥ ኢትዮጵያ ግጭት : ምፍንቓል ከምኡ`ውን ወራር ኣንበጣን ወሲኽካ ተደጋጋሚ ጸገማት ዝርእየት ሃገር ምዃና ድሕሪ ምጥቃስ፥ ግን ከኣ ኢትዮጵያ ዓባይን ኣገዳሲትን ሃገር ምዃና`ውን መስኪሩ፥ \"ኢትዮጵያ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነትስ ንምሉእ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብሓፈሽኡ ንኣፍሪቃን ኣዝዩ ጠቓሚትን ኣገዳሲትን ሃገር'ያ።ነዚ ናይ ጎንጽን ህውከትን ዓመት ብዓወት ተሳጊራ፡: ናብቲ ዝስዕብ ኣብነታ ክትምለስ ኣለዋ።\" ኮንግረስማን ክሪስ ስሚዝ ነዛ ዓባይ ሃገር፥ ሰላም ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ`ውን ጠቒሱ`ዩ። ቃለ ምስክርነቶም ካብ ዝሃቡ ሓንቲ ዋና ኣሰናዳኢት መጽሄት ኣዲስ ስታንዳርድ ጸዳለ ለማ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት አጋጢሙ ዝበለቶ ጥሕሰት መሰላት ብምዝርዛር ፍጹም ገለልተኛ ብዝኾነ ኣካል ክጻረ ይግብኦ ኢላ። \"ክልተ ጫፍ ሒዙ ኣብ ዝተኻረረ ሕብረተሰብ፥ ናጻን ገለልተኛን ምጽራይ ክካየድ ዝኽእል፥ ብሕቡራት ሃገራት ሓላፍነት ተዋሂብዎ ዝቐውም ጉጅለ ጥራሕ'ዩ ኢለ'የ ዝኣምን።ብሕቡራት ሃገራት ስልጣን ካብ ዝውሃቦ መርማሪ ጉጅለ ወጻኢ ኣዝዩ ዝተኸፋፈለ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝርከብዎም፥ ነዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ተግባር ንፍጻም ብኻልእ ብዝኾነ ትካል እምነት የብሉን።\" ካልእ ቃለ-ምስክርነት ዝሃበ ድማ ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ቤት ምኽሪ ጉዳያት ኣፍሪቃ በዓል ሞያ ዝኾነት ሚስ ሎረን ፕሎክ ብላቸርድ ፥ ኣብ ዝሓለፈ 30 መዓልታት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ኩነታት ብዝግባእ ንምርዳእ ክፍተት ኣሎ ኢላ። \"ሓበሬታ ዘይምህላው ብዝምልከት ተለፎንን ኢንተርነትን ኣብ ዝተቛረጸሉን ጋዜጠኛታት ኣብ ዝበዝሐ ክፋል'ቲ ክልል ክኣትዉ ኣብ ዘይከኣልሉ ኩነታት፥ ኣብኡ እንታይ ይካየድ ከምዘሎ ንምፍላጥ ብዙሕ ኣጸጊሙ'ሎ።ክንደይ ዝኸውን ሰብ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከምዝተፈናቐለን ክንደይ ዝኸውን ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘድሊ ዛጊት ብግልጺ ኣይፍለጥን'ዩ።ዝተፈላለዩ ሚድያታት ብኣሸሓት ከምዝተቐተሉ ይሕብሩ'ለዉ እንተኾነ ነቲ መጠን ጉድኣት ዘርኢ ዝእመን መረዳእታ የለን። ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ በቲ መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ዝተቐተለ ሰለማዊ ሰብ የለን ኢሉ'ሎ። ሓደ ሓደ ስደተኛታት ዝዛረብዎ ድማ ካብኡ ዝተፈለየ'ዩ።\" ኣብ ናይ ኣሜሪካ ኢንስቲቱት ሰላም ዳይሬክተር ፕሮግራም ኣፍሪቃ ሱዛን ስቲገንት ካልእ ምስክርነታ ዝሃበት በዓልቲ ሞያ`ያ። ንኩነታት ኢትዮጵያ ድሕሪ ምብራህ ንሰብኣዊ ቅልውላው ብዝምልከት ከምዚ ዝስዕብ ኢላ፥ \"እቲ ግጭት ክጽወር ዘይኽእል ናይ ሰብኣዊ ኤኮኖሚን ውሕስነት መግብን ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ መሪሕ ተራ ጸገም የስዕብ ኣሎ።እዚ ድማ እቲ ለውጢ ዝኸደሉ ዘሎ መንገዲ ብዙሕ ሕቶታት ዘልዕልን ኣሜሪካ ንእተሰጉሞ ፖሊሲ ንክትፍትሽ ዝገብር'ዩ።\" ኣብ ፍሪደም ሃውስ ላዕላዋይ በዓል ሞያ ኣቶ ዮሴፍ ባድዋዛ ምስክርነቶም ካብ ዝሃቡ ሓደ ክኸውን ከሎ፡ ንሱ`ውን ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኽሰት ዘሎ ግጭታትን ጥሕሰት መሰላትን ኣረዲኡ። ኣብ ዘቕረቦ ምኽሪ-ሓሳብ ድማ ክልላት ብሽም ፍሉይ ሓይሊ ዘቖምዎም ዕጡቓት ጉዳዮም ክሕሰበሉ ዝግባእ ምዃኑ መኺሩ። ብኣጠቓላሊ ኣብቲ መስርሕ ምስማዕ ቃለምስክርነት ዝተላዕለ ጉዳይ፡ ግልጺ ዝኾነ መረዳእታ ይሃሉ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝተፈጸሙ በደላት ብገለልተኛ ኣካል ይጻረ ዝብል`ዩ። ደሞክራትን ሪፓብሊካን ተወከልቲ ኣባላት ባይቶ ነቶም ኣርባዕተ ምስክራት ሕቶታት ሓቲቶም እቶም ምስክራት ድማ ናይ መብርሂ ሓሳቦም ሂቦም`ዮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%8A%A8%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%89%83%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%9A%E1%8B%91\/5687648.html"} {"headline":"ገለ መራሕቲ ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ምርጫ ንምክያድ ምቹእ ኩነታት እንተሎ'ኳ ዝተረፉ ተግባራት ግን ኣለዉ ይብሉ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ምርጫ ንምክያድ ምቹእ ኩነታት እንተሎ'ኳ ዝተረፉ ተግባራት ግን ኣለዉ ይብሉ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም መራሕቲ ውድባት ፖለቲካ። ፍትሓዊን ደሞክራሲያውን ምርጫ ንምክያድ ምቹእ ኩነታት እንተሃለወ'ውን ክማልኡ ዝግብኦም ቅድመ ኩነታት ኣለዉ ካብ መንጎ ዝብሉ ሓደ ኣቦ መንበር ደሞክራሲያዊ ፓርቲ ትግራይ ዶር ኣረጋዊ በርሀ፥\"ንኹሉ ብሓደ ግዜ ምዕዋት እንተዘይተኻእለ'ውን መሰረታዊ ደሞክራሲያውን ሰብኣውን መሰላት ክረጋገጹ ይግባእ\" ይብል። ኣቦ መንበር ሶሻል ደሞክራቲክ ፓርቲ ዶ\/ር በየነ ጴጥሮስ ብወገኖም ኣፈጸምቲ ምርጫ ካብ ፖለቲካዊ ወገንተኝነት ናጻ ክኾኑ ይግባእ ኢሎም። ናይ ኢዜማ ኣቦ መንበር የሺዋስ ኣሰፋ ድማ ነቲ ምርጫ ናብ ዘይተወሰነ ግዜ ምድፋእ ግቡእ ኣይኮነን ኢሉ። ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ንምርጫ ዝምልከት ኣኼባ ተወዳደርቲ ናይ ፖለቲካ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ተረኺቦም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%88%E1%88%88-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8B%AB%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%89%B9%E1%8A%A5-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%88%8E-%E1%8A%B3-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%A8%E1%8D%89-%E1%89%B0%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8C%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%89-%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%89\/5686253.html"} {"headline":"'ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ሕጊ ናይ ምኽባር ስርሒት ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ተኸቲሉ ብብቕዓትን ብውጽኢታማነትን ዝተፈጸመ'ዩ' ኣቶ ኣደም ፋራሕ","content":"ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ኣቶ ኣደም ፋራሕ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ሕጊ ናይ ምኽባር ዝበልዎ​ ስርሒት ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ተኸቲሉ ብብቕዓትን ብውጽኢታማነትን ዝተፈጸመ'ዩ ኢሎም​። ኣቶ ኣደም ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ሓፈሻዊ ኩነታት ኣብ ቀጻሊ ነቲ ቤትምኽሪ ሪፖርት ከም ዘቕርብ'ውን ኣፍሊጡ'ሎ። ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኣቶ ኣደም ፋራሕ ብኻልእ ወገን ኣብ ኢትዮጵያ በብዓመቱ ዝኽበር መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት፥ካብቲ ንዓመታት ክእንገደሉ ዝጸንሓ ድሕሪ ስዕረት ህውሓት ምኽባሩ ፍሉይ ይገብሮ ውን ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B0-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%92%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%8C%88-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%89%B2%E1%88%89-%E1%89%A5%E1%89%A5%E1%89%95%E1%8B%93%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%8D%E1%8C%BD%E1%8A%A2%E1%89%B3%E1%88%9B%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%98-%E1%8B%A9-%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8C%89%E1%89%A3%E1%8A%A4-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%A8%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/5686239.html"} {"headline":"ኣብ ትግራይ ኣዋሰንቲ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ስምምዕ ተፈሪሙ","content":"ኣብ መንጎ ኣብ ኢትዮጵያ ወኪል ሕቡራት መንግስታትን ናይ ኢትዮጵያ መንግስትን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፌደራል መንግስቲ ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይዕንቅፋት፣ ብውሑስን ዘላቒን ኣገባብ ኣብ ትግራይን ኣዋሰንቲ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርንሓገዝ ከቕርቡ ንምእታው ዘኽእል ስምምዕ ምፍርራሞም ከምዝተነገሮም ወሃቢ ቃል ሕቡራት መንግስታት ስቴፋን ዱዋሪች ገሊፆም።ገብረ ገብረመድህን ሒዙዎ ኣሎ።ናይ ኖርወይ ቤት ምኽሪ ስደተኛ እውን ነቲ ስምምዕ ከምዘሕጎሶ ብምግላፅ እቲ ምእታው ኤርትራዊያን ስደተኛታት ናብ ዘዕቖቡሉ ከባቢ ምእታው ክፍቀድ ኣለዎ ኢሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝርከቡ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘቕርቡ መሻርኽትና ብሓባር ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ምስ ኩሎም ናይቲ ግጭት ኣካላትን ኣብ ፅምዶ ኢና ንርከብ ኢሎም እቶም ወሃቢ ቃል።ንሶም ብምውሳኽ ኣብ ትግራይን ኣዋሰንቲ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ጥቡቕ ድልየት ዝተመስረተን ብዓለምለኸ ደረጃ ዝተበፅሐሎም ስምምዓት ከምኡ እውን ብመትከላት ገለልተኝነት፣ነፃነትን ብዘይ ኣድልዎን ክስራሕ እዩ ኢሎም። ምስ ትግራይ ኣብ ዘዋስኑ ከባቢታት ዓፋር በቲ ዝቐፀለ ግጭት ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ብዝምክለት ዳህሳስ ከምዝካየድ ሓቢሮም። ዝርዝር ስራሕቲ ምስ ተዛዘሙ እቲ ሓገዝ ክቕፅል እዩ ኢሎም። ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራዊያን ስደተኛታት ብሓይልታት ኤርትራ ተዓፊኖም ተወሲዶም ብዛዕባ ዝብሉ ፀብፃባት እውን ተሓቲቶም ነይሮም እቶም ወሃቢ ቃል ሕቡራት መንግስታት። ንሶም ክምልሱ ከለው ‘'ናይዚ ፀብፃብ መረጋገፂ የብለይን።ኣነ ዝፈልጦ ኩነታት ኣብ ትግራይ ዝርከቡ 96,000 ኤርትራዊያን ስደተኛታት ብሓቂ ከቢድ ከምዝኾነ እዩ’’ኢሎም። ብምስዓብ ‘’እቲ ኪሳራ፣ሕፀረት ነዳዲ፣ሕፅረት ምግቢ ነቲ ስራሕ ኣፀጋሚ ገይሩዎ እዩ።ኣዚዩ ዘጨንቕ ኩነታት እዩ ዘሎ’’ ኢሎም።ነዚ እውን እዩ ብቕልጡፍ ናብቲ ቦታ ንምእታው ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ንዘራረብ ዘለና ኢሎም። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ግጭት ኣብ ዝካየደሎም ዞባታት ትግራይ ንምእታው ምፍቃዱ ኣብቲ ከባቢ ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ዘሕጉስ እዩ ኢሎም ኣብ ጥቓ ዶብ ኢትዮጵያ ኣብ ርከብ ናይ ሱዳን መዕቖቢ ስደተኛታት ኡም ራኩባ ዑደት ይፍፀሙ ዘለው ዋና ፀሓፊ ናይ ኖርወይ ስደተኛ ካውንስል ጄን ኤግላንድ። ‘’እቲ ናይ ምእታው ፍቓድ ናይ ውሽጢ ተመዛበልቲ ኣዒቖቦምሉ ዝርከቡ ቦታታትን ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣዕቒቦምሉ ዝነበሩ ናይ ትግራይ ቦታታትን ዝሓወሰ ክኸውን ኣለዎ’’ ኢሎም ኤግላንድ ብምውሳኽ። ‘’ረድኤት ዝፀዓና ኮንቨይ መካይን ናብ ትግራይ ክኣትዋን ሓገዝ ንዘድልዮም ስድራታት ንቕራብን ብተጠንቀቕ ይፀብያ ኣለዋ።ሕፅረ ምግቢ፣መድሓኒትን ካልኦት ረድኤትን ስለዘሎ ቀረባት ብቕልጡፍ ክኣቲኣለዎ’’ ኢሎም ። ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ይካየድ ዘሎ ግጭት ኣብቶም ዝቕፀሉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ክሳብ ሓደ ምእቲ ሽሕ ዝበፅሕ ስደተኛ ናብ ሱዳን ክኣቲ ትፅቢት ግበር። ድሮ 10,000ዓ ሰባት ካብ ትግራይ 70 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ናብ ዝርከብ ናብ መዕቖቢ ስደተኛታት ኡም ራኩባ ኣትዮም ኣለው።እቲ ካምፕ ምሉእ ዓቕሙ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እዩ መሊኡ። ኣሽሓት ሓደሽቲ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ምህርቶም ክእክቡን ንብረቶም ክጥርንፉን ናብ ትግራይ ንምምላስ ተስፋ ብምግባር ኣብ ጥቓ ዶብ እዮም ዝርከቡ። ብዙሓት ስደተኛታት ድልየቶም ኣብ ጥቓ እቲ ዶብ ክፀንሑ ምዃኑ ንሰራሕተኛታት ካውንስል ስደተኛ ኖርወይ ገሊፆምሎም ኣለው። ‘’ኣነ ተምሃራይ እየ።እቲ ህወከት ምስ ጀመረ ህይወተይ ከድሕን ወላዲት ኣደይን ሓፈተይን ንድሕሪት ገዲፈ ሃዲመ።ናብ ትግራይ ንምምላስ ኣዚየ ይፈርሕ እየ] ኢሉ ኣብ ሱዳን ኣዕቒቡ ዝርከብ ዮናስ ዝተብሃለ ኢትዮጵያዊ ስደተኛ። ሱዳን ንርእሳ ቁጠባዊ ቅልውላ እናሃለዋ ድሮ ንልዕሊ ሰለስተ ሚሊዮን ተመዛበልቲ ተተኣናግድ ኣላ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/un-in-ethiopia-and-the-government-of-ethiopia-signed-an-agreement-to-enable-access-for-humanitarian-person\/5686211.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ'ታ ሃገር ምስ ዝርከባ ትካላት ረዲኤት ናብ ክልል ትግራይ ረዲኤት ዝኣትወሉ ስምምዕ ተፈራሪሞም","content":"ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ'ታ ሃገር ዝርከባ ትካላት ረዲኤትን፥ ናብ ክልል ትግራይ ረዲኤት ዝኣትወሉ ስምምዕ ተፈራሪሞም፣ ናብቲ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ዝርከብ ከባብታት ትካላት ረዲኤት ክኣትዋ ዘፍቅድ ስምምዕ''ዮም ተፈራሪሞም ዘለዉ ይብል ዝመጻና ዜና። ከምኡ'ውን ናብቲ ብወገን ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝርከብ ክኣትዉ ተሰማሚዖ ኣለዉ። ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት'ውን ነቲ ስምምዕ ደጊፍዎ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A3-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%A8%E1%8B%B2%E1%8A%A4%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%A8%E1%8B%B2%E1%8A%A4%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%88%E1%88%89-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%88%9E%E1%88%9D\/5686163.html"} {"headline":"ወሃቢ ቃል ሓይልታት ትግራይ ኣብ ከባቢታት መቐለ ውግእ ይካየድ ኣሎ ይብሉ ኢትዮቴሌኮም ድማ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተቖፃፀሮም ከባቢታት ትግራይ ኣገልግሎት ስልኪ ንምሃብ ይፅዕር ኣለኹ ኢሉ","content":"ኣብ ከባቢታት ከተማ መቐለ ውግእ ከምዝቐፀለን ሰራዊቶም ከምዝተዓወተን ወሃቢ ቃል ሓይልታት ትግራይ ተዛሪቦም።ኣብ ከባቢታት ከተማ መቐለ ከቢድ ኵናት ይካየድ ከምዘሎን ኣብ ልዕሊ ወራሪ ሓይሊ ኢሎም ዝፀውዕዎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኪሳራ ምውራዱን ወሃቢ ቃል ሓልታት ትግራይ ገብረ ገብረፃዲቕ ሎማዕንቲ ንቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ገሊፆም። ካብ ከተማ መቐለ ውፅእ ኢሉ ኣብ ሩባ ሰገንን ዶንጎላትን ንዝመፀ ሓይሊ ‘’ሓይልታትና ንድሕሪት ከምዝመለሶን ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ማዕልታት ግጥማት ን11 ታንክታት ኣቃፂሉን’’ ኣሎ ኢሎም። ናይ ኢትዮጵያ ሓይልታት ምክልኻል ተዳኺሙ ኣሎ ዝበሉ ንሶም ዝዋግአና ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ እዩ ኢሎም። እቲ ንሶም ዝበሉዎ ዓወትን ኵናትን ብኻሊእ ኣካል ኣይተረጋገፀን።እንተኾነ ግን ናይ ኢትዮጵያ ፌደራል ፖሊስ ኮሚሽን ፍሉይ ኮማንዶን ናይ ገበን ምርመራን ጉጅለ ከተማ መቐለ ምእታው ንኮሚሽን ፖልስ ዝተጠቐሰ ፋና ብሮድካስቲንግ ገሊፁ ኣሎ። ብኻሊእ ዜና ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ዝቆፃፀሮም ከባቢታት ትግራይ ናይ ቴሌኮሚኒኬሽን ኣገልግሎት ምሃብ ዘኽእሉ መሰረተ ልምዓታት ናይ ምፅጋን ፃዕርታት ይግበር ከምዘሎ ናይ ኢትዮቴሌኮም ዋና ፈፃሚት ስራሕ ፍረህይወት ታምህሩ ገሊፀን። ‘’ኣብ ዳንሻ፣ሕመራ፣ኣብ ሸራሮን ማይፀብርን ከምኡ እውን ኣብ ማይ ካድራ ብኽፋል ሰሪሑ ኣሎ’’ኢለን።ኣብ ኣላማጣ ምሉእ ብምሉእ ምስራሕ ብምጅማሩ ባንክታትን ካልኦት ዓማዊልናን ኣገልግሎት ክረኽቡ ኣኽኢልናዮም ኣለና እውን ኢለን። ብቐፃልነት እውን ሰራሕተኛታተን ኣብ ኩሉ ኣንፈት ተዋፊሮም ዝተበተኹ መስመራት ንምፅጋን ይንቀሳቐሱ ኣለው ኣገልግሎት ንምሃብ ድማ ስሩዕ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክህሊ ስለዘለዎን ምስ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ምስራሕ ንርከብ ኣለና ኢለን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/fighting-is-continue-surounding-mekele-said-the-spokesperson-of-tigray-forces\/5684820.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ኣምባ.ፍሰሃ ኣስገዶም","content":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ፓርላማ ቀሪቦም ብዛዕባ'ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ውግእ ዝገበርዎ ዘረባ እነካይዶ ኣብ ሓደ ዓዲ ቀ\/ሚ ዝበሃል ካብ ሓደ ተራ ሰብ ናይ ሰብ ርህራሄ ዘለዎ ሰብኣውነት ዘለዎ ዘይትጽበዮ ነገር'ዩ ዝዛረብ ዘሎ ክብሉ ኣምባሳደር ፍሰሃ ኣስገዶም ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቦም። ኣምባ.ፍሰሃ ኣስገዶም ብዛዕባ'ቲ መደረ ቀ\/ሚ ዝምልከት ርእይቶ ወይ ምላሽ ህውሓት ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መጠይቅ ብዛዕባ'ቲ \"ኣብ መቐለ መከላኸሊ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይቀተለን\" እቶም \"ኣብ ሱዳን ዝሳገፉ ስደተኛታት'ውን ቆልዓ ሰበይቲ ዘይብሎም መንእሰያት\" ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ንፓርላምኦም ዘስምዕዎ መደረ ዝምልከትን ካልኦት ሕቶታትን መሊሶም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3-%E1%8D%8D%E1%88%B0%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%8C%88%E1%8B%B6%E1%88%9D\/5684920.html"} {"headline":"ናብ መዓስከራት ሱዳን ዝኣተዉ ኢትዮጵያውያን ብኮቪድ19 ከይተሓዙ ስግኣት ኣሎ ተባሂሉ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዘሎ ጎንፂ ሃዲሞም ናብ መዓስከራት ሱዳን ዝኣተዉ ኢትዮጵያውያን ብኮቪድ 19 ከይተሓዙ ስግኣት ኣሎ ተባሂሉ። ስጋብ ሕጂ ብቫይረስ ኮረና ዝተታሓዘ ሰብ ዘይተረኽበ'ኳ እንተኾነ ስግኣታት ግን ሓይሉ'ሎ ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%B5%E1%8A%A8%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%8B%89-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8A%AE%E1%89%AA%E1%8B%B519-%E1%8A%A8%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%88%93%E1%8B%99-%E1%88%B5%E1%8C%8D%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%82%E1%88%89\/5684863.html"} {"headline":"ትካል ስደተኛታት ሕ\/ሃ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራዊያን ክኣትው ክፍቐደሎም ሓቲቶም","content":"ሰበስልጣን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት፥ ሰበስልጣን ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብቶም ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ዝርከብሉ መዓስከር ንክአትዉ ከፍቅዱሎም ሓቲቶም ። ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ጎንፂ ካብ ዝጅመር እቶም ስደተኛታት ዝኾነ ዓይነት ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘይረኸቡ እቲ ትካል ሓቢሩ'ሎ ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%B5%E1%8A%A8%E1%88%AD-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%8D-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%89%90%E1%8B%B0%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%88%93%E1%89%B2%E1%89%B6%E1%88%9D\/5684748.html"} {"headline":"ወ\/ሮ ኬርያ ኢብራሂም ኢደን ንመንግስቲ ምሃበን ኣጻራይ ሓበረታ ህጹጽ እዋን ኣፍሊጡ","content":"ኣባል መሪሕነት ህወሓትን ኣብ ባይቶ ኢትዮጵያ ኣፈ ጉባኤ ቤትምኽሪ ፈደረሽን ዝነበረትን፥ወ\/ሮ ኬርያ ኢብራሂም ኣብ መቐለ ንሓይልታት ብምክልኻልን ኢትዮጵያ ኢዳ ከምዝሃበት ኣጻራይ ሓበረታ ህጹጽ እዋን ኣፍሊጡ። ወ\/ሮ ኬርያ ኢብራሂም ካብ መንጎ ትሸዓተ ኣባላት ፈጻሚ ስራሕ ህወሓት ሓንቲ ምዃና ኣብ ትዊተር ገጽ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ዝወጸ ሓበሬታ የመልክት። ወ\/ሮ ኬርያ ኣብ ቀረባ ኣብ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ዝነበራ ሓላፍነት ብፍቓዳ ሓዲጋ ናብ መሪሕነት ፓርታ ከምዝተጸንበረት እቲ ሓበሬታ የመልክት።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5684735.html"} {"headline":"መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ካብ ወልቃይትን ራያን ተዓፊኖም ዝተወስዱ ዜጋታት ሃለዋት ከምዘይፍለጥ ሓቢሩ","content":"መንግስቲ ክልል ኣምሓራ \"ኣብቲ ኩናት ዝተሳዕረ ህወሓት ካብ ዘመሓድሮም ዝነበሩ ወልቃይትን ራያን ተዓፊኖም ዝተወስዱ ብ10ታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ንጹሃን ዜጋታት ዝኣተውዎ ኣይፍለጥን\" ኢሉ ። ኣስዒቡ ኣብ ማይካድራ ንጹሃን ዜጋታት ጨፍጪፎም ናብ ሱዳን መዕቆቢ ስደተኛታት ዘምርሑ መንእሰያት'ውን ብሕጊ ንክሕተቱ ምድላው ንገብር ኣለና ኢሉ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ ብዛዕባ'ቶም ተዓፊኖም ተወሲዶም ዝተባህሉ መረዳእታ ከምዝበጽሖን ኣብ ቀጻሊ ከምዘጻርዮን ኣፍሊጡ'ሎ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%89%83%E1%8B%AD%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%AB%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8D%8A%E1%8A%96%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B5%E1%8B%B1-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%88%88%E1%8B%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8D%8D%E1%88%88%E1%8C%A5-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5684731.html"} {"headline":"ኣብ ዝተወሰነ ከባብታት ክልል ትግራይ ናይ ቴሌኮም ኣገልግሎት ዳግማይ ምጅማሩ ኢትዮ-ቴሌኮም ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ዝተወሰነ ከባብታት ክልል ትግራይ ናይ ቴሌኮም ኣገልግሎት እንደገና ከምዝጀመረ ኢትዮ-ቴሌኮም ኣፍሊጡ። ዋና ኣካያዲት ስራሕ ኢትዮ-ቴለኮም ፍረሂወት ታምሩ ነቲ ዘጋጠመ ጉድኣት ብምዕራይን ዳግም ብምትካልን ከምኡ'ውን ኣማራጽታትን ቀረባት ሓይሊን ኣብ ምጥቃም ከምዝኾኑ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢራ። ሑመራን ሽራሮን ዝርከብአን ገለ ከተማታት ብኸፊል፡ ኣብ ኣላማጣ ግን ምሉእ ንምሉእ ኣገልግሎት ምጅማሩ'ውን ጠቒሳ። ዋና ኣካያዲት ስራሕ ኢትዮ-ቴለኮም ናይ መቐለ ቴሌኮም ትሕተ ቕርጺ ምጉድኡን ዘይምጉድኡን ዘጻሪ ጉጅለ ተላኢኹ ከምዘሎ ድማ ወሲኻ ሓቢራ'ላ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%90-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%B4%E1%88%8C%E1%8A%AE%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%8B%B3%E1%8C%8D%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%8C%85%E1%88%9B%E1%88%A9-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE-%E1%89%B4%E1%88%8C-%E1%8A%AE%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5684718.html"} {"headline":"ኢትዮጵያዊ ስደተኛ በዓል ሞያ ሕክምና ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን ዝርከቡ ዜጋታት ይሕግዝ","content":"ኣብ ኢትዮጲያ ክልል ትግራይ ብዘሎ ኹናት ብ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት መረበቶም ገዲፎም ተመዛቢሎም ኣብ መዓስከራት ሱዳን ይርከቡ። ሰብኣዊ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት በቲ ዘጓነፎም ሃንደበታዊ ዋሕዚ ሰባት እኹል ሓገዝ ንምሃብ ይፅገሙ ኣብ ዘለዉሉ እዋን ሓደ ኣብ ሑመራ ክሊኒክ ዝነበሮን ንርእሱ ከድሕን ናብ ሱዳን ዝተሰደደን ዶክተር ኣብ መዓስከር ሓባሽ ክሊኒክ ከፊቱ ኣገልግሎት ይህብ ኣሎ ። ናይ ውሽጣዊ ኣካላት ሕክምና ስፔሻሊስት ምዃኑ ዝዛረብ ዳር ያለው ጉዑሽ ቅድሚ ኣብ’ዚ ወርሒ ናብ ሱዳን ስደት ምኻዱ ኣብ ሑመራ ፍሉጥ ዶክተር ዝነበረ ኾይኑ ምስ መሳርሕቱ ኾይኑ ኣብ ምብራቃዊ ሱዳን ዝርከብ ሓሻባ ዝበሃል መዓስከር ስደተኛታት ክሊኒክ ከፊቱ ነቶም ሕክምና ዘድልዮም ስደተኛታት ኣገልግሎት ይህብ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%88%9E%E1%8B%AB-%E1%88%95%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%B5%E1%8A%A8%E1%88%AD-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%88%95%E1%8C%8D%E1%8B%9D\/5683320.html"} {"headline":"ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ህውሓት ኔሮም ዝተባህሉ ልዕሊ  1,100 ወታሃደራት ናብ ክልል ኣምሓራ ምእታዎም ተገሊጹ","content":"ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ህወሓት ነይሮም ዝተባህሉ ልዕሊ 1,100 ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ናብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግ ኽምራ ምእታዎም ናይቲ ዞባ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ኣቶ ጳውሎስ በላይ እቶም ወታሃደራት ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍለ ሰራዊትን ብርጌዳትን ዝነበሩ ብህወሓት ተታሒዞም ዝፀንሑ እዮም ኢሎም። ኣቶ ጳውሎስ እቶም ወታሃደራት ብጥምየት፣ፅምኢ ማይን ዝተጎድኡ፣ብሕማም ዝደኸሙን ዝቖሰሉን ከምዝርከቡዎም ሓቢሮም ። ንሶም ወሲኾም ኣብቶም ዝቕጽሉ መዓልታት እውን ናብቲ ዞባ ዝኣተው ኣባላት ሰራዊት ከምዝውስኽ ወሲኾም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%89%90%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%94%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%89-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-1-100-%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5683249.html"} {"headline":"ቀዳማይ ምንስቴር ኣብዪ ብዛዕባ ትግራይ ንፓርላማ ኢትዮጵያ ዘቕረቡዎ ፀብፃብን ካልኦትን","content":"ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ መንግስቶም ኣብ ክልል ትግራይ ሕጊ ንምኽባር ብዝወሰዶ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰላማዊያን ሰባት ጉድኣት ኣይወረደን።እቲ ሰራዊት ብሓላፍነትን ተሓታትነትን መንፈስ ከምዝሰርሕ እውን ተዛሪቦም። ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም ሎማዕኒ ሶኑይ ኣብዝሃዎ መግለፂ ኣብ ልዕሊ ቅድሚኦም ዝነበሩ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ መፈንቅለ መንግስቲ ንክ ውሰድ ሎሚ ጉጀል ተባሂሉ ይፅዋዕ ዘሎ ህወሓት ተተሊሙ ከምዝነበረ ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ምንስቴር ኣብ መብርሂኦም ኣብታ ሃገር ካብ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ጀሚሩ ግጭታት፣ ቅትለታት፣ምምዝባልን ስደትን እዚ ጉጅለ እዚ ዝተለሞ፣ዘዋደዶን ዘካየዶን እዩ ኢሎም።እዚ ናይ ሎሚ ከይሓወሰ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር 133 ግጭታት ከምዝተኻየዱ ገሊፆም። ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት ዝተኻየደ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ናይ ሰላማዊያን ሰባት ህወይት ዘድሓነን ብሓላፍነትን ተሓታትነትን ዕላምኡ ዝወቕዐን እዩ ኢሎም።ካብ ሑመራ ክሳብ መቐለ ኣብ ኩለን ከተማታት ዝለዓለ ጥንቃቐ ተገይሩ ሓይሊ ምክልኻል ዋላ ንሓደ ሰብ እውን ኣይቀተለን ኢሎም። ብኻሊእ ወገን ኣብ ክልል ትግራይ ግጭት ኣብ ዝቐፀለሉን ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ሎማዕንቲ ሶኑይ ህፁፅ ኣኼባ ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣብ ዝፀውዕሉን መራሒ ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤእ ትማሊ ሰንበት ንሮይተርስ ኣብ ዝልኣኹዎ ናይ ፅሑፍ መልእኽቲ ሓይልታት ትግራይ ንነፋሪት ውግእ ኢትዮጵያ ወቒዖም ከምዘውደቑን ንሓንቲ ከተማ ካብ ሓይልታትፌደራል ከም ዝመንጠሉን ገሊፆም። ብዛዕባ እቲ ዝተብሃለ ካብ መንግስቲ ወይ ወታደራዊ ሓይሊ ሪኢቶ ኣይተውሃበን። ምስ እዚ ብዝተኣሳሰረ ኣብ ኤርትራ ኤምባሲ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ዋና ከተማ ኣስመራ ቀዳም ለይቲ ሽዱሽተ ፍንጀራታት ከምዝተሰምዑ ገሊፁ። ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ህወሓት ዘካየዶ መጥቓዕቲ ብዓወት ምዝዛሙ ምስ ኣወጁ ድሕሪ ስዓታት እዩ እቲ ፍንጀራ ዝስማዕ ዘሎ።ሰራዊት ኢትዮጵያ ንዋና ከተማ መቐለ ምሉእ ብምሉእ ተቖፃፂሩዎ ኣሎ ኢሎም ኣብ መግለፂኦም። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ሆስፒታላት መቐለ ንዝቖሰሉ ንምሕካም ቀረባት ሕክምና ይዝፅንቀቖም ከምዘሎ ሰራሕተኛታት ረድኤት ትማሊ ሰንበት ገሊፆም። ብመሰረት ICRC 80 ሚታዊ ይሕከሙ ዘለው ብጉድኣት ኣካል ይሳቐዩ ዘለው እዮም። ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ICRC ሓላፊት ኦፕረሽን ማሪያ ሶለዳድ ‘’ሆስፒታላት ናይ ኣልባሳስት፣ኣንቲባዮቲክ፣ ፀረቓንዛ መድሓኒታት፣ናይ ኢድ ጓንት ከይተረፈ ብሓደገኛ ኩነታት የንቆልቁል ኣሎ’’ኢለን። ብመሰረት ገለ ፀብፃባት እቲ ግጭት ካብ ዝጅመር ኣሽሓት ሰባት ተቐቲሎም ኣለው። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ መራሕቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ\\ህወሓት\\ተስፋ ከምዘይቆረፁ ንሮይተርስ ገሊፆም። መራሒ ህወሓት ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብፅሑፍ ኣብ ዝልኣኹዎ መልእኽቲ ‘’ናይዞም ወረርቲ ጭካነ ክሳብ መወዳእታ ንኽንዋግኦም ምውሳንና ድልውነትና ዝውስኽ ጥራሕ እዩ’' ኢሎም።ሓይሎም ምውግኡ ክቕፅለሉ እንተኾይኑ ብሮይተርስ ተሓቲቶም ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ‘’ብርግፀኝነት እወ።እዚ ብዛዕባ ምውሳን መሰል ዓረሰ ውሳነና እዩ’’ ኢሎም። ቅድሚ ክብል ዶክተር ደብረፅዮን ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ኣስታት ሓሙሽተ ምእቲ ሽሕ ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ መቐለ ኣብቲ መወዳእታ ራብዓይ ሰሙኑ ሒዙ ዘሎ ናይ መወዳእታ መጥቓዕቲ ብከቢድ እናተደብደበት ምዃና ገሊፆም። ብደረጃ ምንስቴር ሓላፊ ጉዳያት ዴሞክራታይዜሽን ኢትዮጵያ ኣቶ ዛዲግ ኣብርሃ ንኣሶሼትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ግጭት ክንደይ ሰብ ከምዝሞተ ገና ኣይፈለጠን ኢሎም። ናይ ፀጥታ ሓደጋ ከምዘይህሊ ምስ ኣረጋገፅና ኣብ ውሽጢ ማዕልታት ሰብኣዊ ረድኤት ክኣቲ ክፍቀድ እዩ ኢሎም ብምውሳኽ። ኣብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ሰሙናት ኣብ ዝተኻየደ ኵናት መግሃስቲ ተፈፂሞም እዮም ንዝብሉ ክስታት ምርመራ ክካየድ ዝፈቕዱ እንተኾይኖም ተሓቲቶም ኣቶ ዛዲግ ክምልሱ ከለው ‘’እንሓብኦ የብልናን።ሓደ ዝተኣታተውናዮ ለውጢ ግልፅነት እዩ።ግን ከክም ኩነታቱ እዩ ዝምስረት''ኢሎም። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ፖፕ ፍራንሲስ ‘’ዕጥቓዊ ግጭት ብዝለዓለ ደረጃ ኣብ ዝካየደላን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው የጋጥማ ንዘሎ ኢትዮጵያ ኩሉ ክፅልየላ ዓዲመኩም ኣለኹ’'ኢሎም ብቅድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝዘርግሑዎ ናይ ቲዊተር መልእኽቲ። ኣብ ኣፍሪካ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ቲቦር ናዥ ብወገኖም ’’ኣብ ከተማ መቐለ ዝካየድ ውግእን ደብዳብን ዝለዓለ ስኽፍታ ፈጥሪልና ኣሎ፤እቲ ግጭት ብቕልጡፍ ጠጠው ክብልን ኣብ ትግራይ ሰላም ክዓስልን ነተሓሳስብ’' ኢሎም። ልዕሊ 43,000 ናብ ሱዳን ዝሃደሙ ስደተኛታት ሓዊሱ ናብ ሓደ ሚሊዮን ዝፅጋዕ ህዝቢ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ኣሎ። ዓለምለኸ ኮሚቴ ኣድሕን ህይወት ፍርቂ ሚሊዮን ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ምቐለ ብምሕባር ብዛዕባ ዝስዕብ ሰብኣዊ ሓደጋ ኣዚዩ ከምዘተሓሳሰቦ ዝሓፈ ዓርቢ ገሊፁ ኣሎ። ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ብወገኖም ስቪላት ሓለዋ ክግበረሎም፣ሰብኣዊ መሰላት ክሕለውን ምእታው ክፍቀድን ኣስሚሮምሉ ኣለው ብመሰረት ወሃቢ ቃል ሕቡራት መንግስታት ፋርሃን ሓቅ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-army-takes-control-of-tigray-capital\/5681951.html"} {"headline":"ፈደራል ኮሚሽን ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣብ ገዛውቲ ብገበን ክሕደት ሃገር ዝተጠርጠሩ ወታሃደራዊ መኮንናትን ኣጽዋራት ምርኻቡ ሓቢሩ","content":"ፈደራል ኮሚሽን ፖሊስ ኢትዮጵያ ብገበን ክሕደት ሃገር ዝተጠርጠሩ ጀነራላትን ወታሃደራዊ መኮንናትን ገዝኦም ምስ ተፈተሸ ዝተረኽበ ኣጽዋራት ኣብ ኢዶም ክጸንሕ ዘይነበረሮ `ዩ ኢሉ ። እቶም ጀነራላት ምስ ህወሓት ብምምስጣር ኣብ ልዕሊ ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ከምዝፍጸም ጌርኩም ተባሂሎም`ዮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ አዲስ አበባ ሓቢራ’ላ ። ብዝተሓሓዘ ዜና ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ኮንሶን ከባቢኡን ተፈጢሩ ብዝነበረ ግጭት በቐጥታን ብተዘዋዋርን ኢድ ኣለዎም ዝተባህሉ 137 ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን'ቲ ኽልል ኣፍሊጡ። ምኽትል ኣመሓዳሪ ደቡብ ኣቶ ኣለማየሁ ባውዲ ሎሚ ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝሓበሮ፥ በቲ ግጭት 66 ሰባት ዝተቐተሉ ክኾኑ ኸለዉ፥ ካልኦት 39 ሰባት'ውን ቆሲሎም'ዮም። ከምኡ'ውን ዓቐኑ ዘይተፈልጠ ንብረት ዓንዩ ልዕሊ 133 ሺሕ ሰባት ተፈናቒሎም ምባሉ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ሃዋሳ ሓቢሩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%88%E1%8B%9B%E1%8B%8D%E1%89%B2-%E1%89%A5%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%95%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%A0%E1%88%AD%E1%8C%A0%E1%88%A9-%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%AE%E1%8A%95%E1%8A%93%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8C%BD%E1%8B%8B%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%BB%E1%89%A1-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9-\/5681821.html"} {"headline":"መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ንአባላት ፓርላማ","content":"ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ ሶኑይ ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፥ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዝወሰዶ ሕጊ ናይ ምኽባር ዝበሎ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ጉድኣት ከምዘይወረደ ኣፍሊጡ። እቲ ሰራዊት ብሓላፍነትን ብተሓታታይነትን መንፈስ ከምዝሰርሕ'ውን ኣፍሊጡ። ዶ\/ር ኣቢይ ብድሮን ኣብ ዝተኻየደ ስርሒት 99 ሚእታዊት ዕላማና ሃሪምና ኢና፡ 99 ሚእታዊት ድማ ብዘይ ጉድኣት ኢና ፈጺምናዮ ኢሉ ። መራሕቲ ህወሓት ኣብ ከባቢ ሃገረ ሰላም'ዮም ዝተኣኻኸቡ ዘለዉ ዝበለ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ትማሊ ምሸት ኣብ መንጎ ሃገረ ሰላምን ዓቢይ ዓድን ዝነበሮም ትርምስ ርኢናዮም ኢና ግን ኣንስቶምን ቆልዑቶምን ከምኡ'ውን ዝሓዝዎም ናትና መኮንናት ሒዞሞም ስለዝሃደሙ እናረኣናዮም ክነጥቅዖም ኣይደለናን ኢሉ። ትማሊ ሰንበት መራሒ ህወሓት ድበረጽዮን ገብረሚካኤል ናብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብጽሑፍ ኣብ ዝልኣኾ መልእኽቲ ፣ ነፋሪት ኢትዮጵያ ከም ዘውደቑን ንሓንቲ ከተማ`ውን ካብ ሓይልታት ፈደራል ከምዘሕደጉን ምግላጹ ሮይተርስ ሓቢሩ`ሎ:ይኹን ደአ እምበር ነዚ ሓበሬታ ካብ መንግስቲ ኮነ ካብ ምክልኻል ግን ዝተዋህበ መልሲ የለን:ብነጻ አካል’ውን ክጻረ ኣይተኻእለን። ብኻልእ ወገን፥ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብታ ከተማ ብቐዳም ምሸት ሽዱሽተ ድምጺ ኣጽዋር ከምዝሰምዐ ኣፍሊጡ`ሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ፥ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ፡ ሰራዊቱ ንርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ምቁጽጻሩ ድሕሪ ምሕባሩ`ዩ። ንመራሕቲ ህወሓት ኣብ ምድላይ ከምዝርከቡ`ውን ሓቢሩ`ዩ። ብኻልእ ወገን፥ ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል፡ ኣብ መቐለ ዝርከብ ሆስፒታል ሕጽረት መጠቕለሊ ሬሳ`ኳ ከምዝሓጸሮን፥ ንዝቖሰሉ ንምሕካም ዘድሊ ቀረባት ይውዳእ ከምዘሎን ኣፍሊጡ`ሎ። ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ መራኸቢታትን ተሌፎናትን ምዕጻዉ ነቲ ኩነታት ኣጸጋሚ ከም ዝገበሮ`ውን ይጥቀስ ኣሎ። በቲ ግጭት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ምሟቶምን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ናብ ሱዳን ምህዳሞምን ክግለጽ ጸኒሑ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%89%80%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A2%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%95%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%88%8B%E1%88%9B\/5681780.html"} {"headline":"ላዕለዋይ ኮሚሽነር ትካል ስደተኛታት ሕ\/ሃ ንኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ንምዕዛብ ሱዳን ኣትዮም","content":"ላዕለዋይ ኮምሽነር ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ኢትዮጲያ ክልል ትግራይ ይካየድ ዘሎ ዂናት ብምህዳም ብብዝሒ ናብ ምብራቓዊ ሱዳን ዝውሕዙ ዘለዉ ስደተኛታ ንምዕዛብን ንምግምጋምን ኣብ ዋና ከተማ ካርቱም ኣትዮም ። ኣብዚ ወርሒ ጥራሕ ልዕሊ 43,000 ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን አብ ምብራቓዊ ሱዳን ኣትዮም እዮም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8B%E1%8B%AD-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%90%E1%88%AD-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%95%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%8B%9B%E1%89%A5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%88%9D\/5679024.html"} {"headline":"ነበርቲ ከተማ መቐለ ካብ ስግኣት ወታሃደራዊ መጥቓዕቲ ይሃድሙ ምህላዎም ተገሊጹ","content":"ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ሓይልታትን መራሕቲን ህውሓት “ናይ መወዳእታ ምዕራፍ” ወታሃደራዊ መጥቓዕቲ ድሕሪ ምእዛዞም ሰባት ካብ ከተማ መቐለ ይሃድሙ ምህላዎም ተሓቢሩ። ፍርቂ ሚሊዮን ህዝቢ ከተማ መቐለ ካብ መራሕቲ ትግራይ ንርእሶም እንተድኣ ዘየርሒቖም ‘’ምሕረት የለን’’ ኢሉ መንግስቲ ምጥንቃቑ ይዝከር። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ወታሃደራዊ ኣሃዱታታት ክኣትው ትእዛዝ ስለዝተውሃቦም ነበርቲ ከተማ መቐለ ዕጥቖም ክፈትሑን ኣብ ገዛውቶም ኮፍ ክብሉን ትማሊ ሓሙስ ኣጠንቂቖም። መንግስቶም ንስቪላት ከምዝከላኸል እውን ገሊፆም ኣለው። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ መራሕቲ ህወሓት ኣብ ውሽጢ 72 ስዓታት ኢዶም ክህቡ ወይ ኣብ ልዕሊ ዋና ከተማ መቐለ ወታሃደራዊ መጥቓዕቲ ከምዝወስዱ ኣጠንቂቖም ኔሮም። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ሽዱሽተ ሚሊዮን ህዝቢ ትግራይ መግብን ካልኦት ቀረባትን ይፅንቀቖ ኣሎ። ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ገለልተኛ ዝኾኑ ኣካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ከቕርቡ ብቕልጡፍ ክፍቀድ ፀዊዑ ኣሎ። በቲ ኣብቲ ክልል ዘሎ ኹናት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ምሟቶም ልዕሊ 43,000 ሰባት ድማ ናብ ሱዳን ምስዳዶም ይግለጽ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%8C%8D%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8B%AD%E1%88%83%E1%8B%B5%E1%88%99-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9-\/5679013.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ተራኺቦም: ተዘራሪቦም","content":"ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕረዚደንትን ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ስሪል ራማፎዛ ፍሉይ ልኡኽ ገይሮም ንዝሸሙዎም ሰለስተ ኣባላት ዝሓቖፈ ጉጅለ ልኡኽ ሎሚ ዓርቢ ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም። ኢትዮጵያ ሕጊ ንምኽባርን ናይ ህወሓት ጉጅለ ገበን ኢሎም ንፀውዕዎምን ናብ ሕጊ ንምቕራብ ንእተገብሮ ፃዕሪ ንኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ዝርድኡ ምዃኖምን ዘለዎም ምስጋናን ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ገሊጾም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ብዛዕባ መስርሕ ምኽባር ሕጊ እውን ነቲ ጉጅለ ልኡኽ መብርሂ ሂቦም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8D%8D%E1%88%89%E1%8B%AD-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/5679003.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንሽምግልና ምንጻጎም ኣብ ዲፕሎማሲ ዓለም ሻቅሎት ፈጢሩ","content":"ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ መሻርኽቲ ኣሜሪካ ኣብ ዝኾነት ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዝቀተለን ልዕሊ 40 ሽሕ ንክስደዱ ጠንቂ ዝኾነን ኹናት ንከብቅዕ ንዝቀረበ ጻውዒት፣ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ነጺጎምዎ። ብሰንኪ ውሳነ’ቶም ቀ\/ሚ፣ ካብ አዲስ አበባ ክሳብ ዋሽንግተን ንዘለው ዲፕሎማታት፣ እቲ ውግእ ክሕይል እዩ ዝብል ሻቅሎት ኣስዒቡሎም ኣሎ። ምስ ኤርትራ ዓመታት ንዝጸንሐ ግጭት ንከብቅዕ ሓጊዞም ተባሂሎም ሽልማት ኖቤል ሰላም ዝተቀበሉ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ፣ ሎሚ ረቡዕ ዝፈነውዎ መግለጺ፣ ‘ከም ሉኣላዊት ሃገር፣ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ግዝኣታ ሕጊ ናይ ምኽባር ሙሉእ መሰል ኣለዋ’ ኢሎም። 'ሰራዊት ህወሓት' ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ፌደራል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍናዎም ዝጀመረ ውግእ 3ይ ሰሙን ኣቁጺሩ ኣሎ። ኣብ ሞንጎ ፌደራላዊ መንግስቲን ዝዓጠቁ መራሕቲ ትግራይን ንሰለስተ ሰሙን ዝቀጸለ ውግእ፣ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለው ዲፕሎማታት ሻቅሎት ከምዝፈጠረሎምን፣ እቶም ቀ\/ሚ ነቲ ግጭት ብልዝብ ንክፈትሕዎ ብሓደ ድምጺ ይጽውዑ ኣለው። ሰበ ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፣ ኣብ ስልጣን ዘለውን ንዝመጽእ ምምሕዳር ጆ ባይደን ዝተሓረዩን ብሓባር ንልዝብ ይጽውዑ። ፕረዚደንታዊ ኣማኻሪ ጸጥታ ኣሜሪካ ንክኾኑ ዝተመዘዙ ጃክ ሱሊቫን ‘ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ክፍጸም ዝኽእል ጥቅዓት ዓሚቅ ሻቅሎት ፈጢሩለይ ኣሎ፣ ኣብ መቀለን ከባቢኣን ዝካየድ ውግእ፣ ገበን ኩናት ዝኾነሉ ዕድል ኣሎ’ ኢሉ ኣሎ። ሱሊቫን ወሲኹ ‘ክልቲኦም ሓይልታት ኣብቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ክምውሎ ኣቅሪብዎ ዘሎ መኣዲ ልዝብ ብህጹጽ ንክሳተፉ’ ጸዊዑ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%95%E1%88%BD%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%88%8D%E1%8A%93-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%8C%BB%E1%8C%8E%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%B2%E1%8D%95%E1%88%8E%E1%88%9B%E1%88%B2-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%88%BB%E1%89%85%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%8D%88%E1%8C%A2%E1%88%A9-\/5677904.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ 'ናይ መወዳእታ' ወታደራዊ ወፍሪ ምጅማሩ ኣፍሊጡ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ ‘ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ክብሎ ከሎ’ ፣ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ድማ ‘ኣብ ልዕሊ ትግራይ ይካየድ ዘሎ ወራር’ ኢሉ ዝፀውዖ ወታደራዊ ወፍሪ፣ ፍጻመ ክረክብ ይቀራረብ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ናይቲ ወፍሪ መዛዘሚት ዝተባሃለት ከተማ መቐለ ኣብ ልዕሊ ነበርታ ጉድኣት ከይወርድ ዝክኣል ጥንቃቐ ከምዝገብር'ውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገፆም ቅድሚ ሰሙናት ኣብ ክልል ትግራይ ተጀሚሩ ዝበሉዎ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ሎሚ ጀሚሩ ኣሎ ኢሎም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ወሲኾም እዚ ናይ መወዳእታ ውግእ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብቲ ሓደ ወገን ዘለው ኣባላት ኢዶም ክህቡ ዝተውሃበ ናይ 72 ስዓታት ናይ ግዜ ገደብ ተጠቒሞም ብኣሽሓት ዝቁፀሩ ናይ ክልል ትግራይ ፍሉይ ሓይሊን ኣባላት ሚሊሺያን ኢዶም ሂቦም ኣለው ኢሎም ።ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ትግራይ ‘’እከይ’’ ተግባር ህወሓት ተረዲኦም ኢዶም ካብ ጥፍኣት ስሒቦም ኣለው ኢሎም። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ፍሉይ ሓይልታትን ኣባላት ሚሊሻንን ኢዶም ሂቦም ዝብል ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ መግለፂ ግን ብነፃ ወገን ኣይተረጋገፀን። ቀ\/ሚ መሪሕነት ህወሓት ዝተውሃቦ ዕድል ስለዘይተጠቐመ ሰራዊት ምክልኻል ናይ መወዳእታንሳልሳይን ምዕራፍ ናይቲ ወፍሪ ክፍፅም ትእዛዝ ተዋሂቡዎ ኣሎ ኢሎም። ንፁሃን ነበርትን ከተማ መቐለን ዝኸፍአ ጉድኣት ከይወርዶም ዝክኣል ጥንቃቐ ከምዝግበር ብምግላፅ እቲ ህዝቢ ገበነኛ ኢሎም ካብ ዝፀውዕዎ ጉጅለ ንርእሱ ብምርሓቕ ምስ ናይ መንግስቲ ፃዕሪ ክተሓባበር ፀዊዖም ኣለው። ብዛዕባ እዚ ናይ መወዳእታ ወታደራዊ ወፍሪ ካብ መራሕቲ ህወሓት ዝተውሃበ መግለፂ የለን።ኣብ መጀመሪያ እዚ ሰሙን ናይ ክልል ትግራይ መራሒ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብዛዕባ እዚ 72 ስዓታት መጠንቀቕታ ንመራኸቢ ማዕኸናት ክልል ትግራይ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ይወሃብ ዘሎ መወዳእታ ዘይብሉ ናይ 72 ስዓታት መጠንቀቕታ ዝተናውሐ ብፅንዓት ስለዝመከትናዮ እዩ ኢሎም። ድልየቶምኣብ ዝተቐመጡ ስዓታትክውዳእ ከምዘይኽእል ዝገበርናዮ ፅኑዕ መኸተና እዩ ኢሎም። ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ‘'ናትና ድልየት ናይ ግዜ ምሕፃርን ምንዋሕን ዘይኮነስ ምሉእ ዓወት እዩ፤መሊእና ክሳብ ንዕወት ክንቃለስ ይግባእ፤ ናይ ውግእ ዓቕምና ካብ ዕለት ናብ ዕለት መልክዕ እናሓዘ ይመፅእ ኣሎ’’ኢሎም ነይሮም ። ብኻልእ ዜና ድማ ፌደራል መንግስቲ ኣብዝተቖፃፀሮም ከባቢታት ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ የቕርብ ከምዘሎ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣመልኪቱ። ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ከምዝውሃብ ዝሓበረ እዚ መግለፂ ፌደራል መንግስቲ ነዚ ንምፍፃም ድልዊ እዩ ኢሉ።ሰብኣዊ ሓገዝ ንምግባር ዝተጣየሸ ኮሚቴ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናይ ዳህሳስ መፅናዕቲ ከምዘካየደን ብኣተሓባባራይነት ብሚኒስትሪ ሰላም ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ኣድላይ ሓገዝ እናተውሃበ ከምዝኾነን ኣፍሊጡ ኣሎ።ናይ ምግቢ፣መድሓኒት፣ፅሩይ ማይን ካልኦት መግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ሓገዛትን ምሃብ ከምዝጀመረ እቲ መግለፂ ኣፍሊጡ። ናይ ሕቡራት ሃገራት ኤጀንሲታት ሓዊሱ ድሕነት ሰባት ንምሕላው ድልየት ምስ ዘለዎም ትካላት ንምስራሕ ዘለዎ ድልየት ገሊፁ ኣሎ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-prime-minister-vows-final-push-toward-mekele\/5677701.html"} {"headline":"ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ሓበረትኡ ኣሓዲሱ","content":"ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ ሓዲሽ ሓበሬታ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ነበርቲ ካብ ገዝኦም ከይወጹ ኣይኣዘዙን ኢሉ። እቲ ኤምባሲ ኣብ ኣስመራ ዝኾነ ናይ ሕላፍ ሰዓት ትእዛዝ ከምዘየለ ኢና ዝፈልጥ ኢሉ። ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ዜጋታት ኣመሪካ ብመንጽር'ቲ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ፥ምስትብሃሎም ክቕጽሉ እቲ ኤምባሲ ምምካሩ ክቕጽል'ዩ ኢሉ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%88%93%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%89%B5%E1%8A%A1-%E1%8A%A3%E1%88%93%E1%8B%B2%E1%88%B1\/5676525.html"} {"headline":"ዜጋታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንሰላም ኢትዮጵያ ህጹጽ መጸዋዕቲ ኣቕሪቦም","content":"ዜጋታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንሰላም ኢትዮጵያ ህጹጽ መጸዋዕቲ ኣቕሪቦም። እቶም ዜጋታት ዝተፈላለዩ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብቲ ብጽሑፍ ዝዘግሕዎ መጸዋዕታ ንምውላዕን ምግዳድን ኹናት ኢትዮጵያ ኣትሪርና ንኹንን: ብጥፍኣት ህይወትን ንብረትን ትሕቲ ቅርጺን ዕድላትን ኣዚና ንጉሂ: ብማዕረ ድማ ነቲ ኹናት ዘጓሃህር ነገራት ምውሳኽ ኣትሪና ንኹንን ይብሉ። ንሓደ ካብቶም ነዚ መጸዋዕታ ዘቕረቡ ጋዜጠኛ ኣብርሃም ተስፋልኡል ዘርአ ኣዘራሪብናዮ ኣለና ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%88%AD%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%85%E1%8C%B9%E1%8C%BD-%E1%88%98%E1%8C%B8%E1%8B%8B%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%95%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/5676503.html"} {"headline":"ዩኒሰፍ ኣብ ግጭት ክልል ትግራይ ዝርከቡ ወገናት ቆልዑት ከይጎድኡ ኣተሓሳሲቡ","content":"ዩኒሰፍ ኣብ ግጭት ክልል ትግራይ ዝርከቡ ወገናት ቆልዑት ከይጎድኡ ኣተሓሳሲቡ። ካብ መንጎ 500,000 ዝኾኑ ነበርቲ መቐለ ፍርቆም ቆልዑት`ዮ ዝበለ ዩኒሰፍ፡ በቲ ዝዓርግ ዘሎ ግጭት ኣዝዩ ከምዝተሻቐለን፥ እቲ ኩናት ኣብ ሓደጋ ኣውዲቕዎም ከምዘሎን ኣፍሊጡ። እቶም ወገናት ኩናት ደው ኣቢሎም ናብ ሰለማዊ መዕለቢ ክበጽሑን ሰብኣዊ ሓገዝ ክበጽሕ መስመራት ክከፍቱን፥እቲ ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ`ሎ። ብኻልእ ወገን ብተመራጺ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፥ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ክኸውን ዝተመርጸ ጀይክ ሱልቫን፥ኣብ ልዕሊ ስቪላት ክወርድ ዝኽእል ጎንጽን ኣብ ከባቢ መቐለ ኣብ ዝካየድ ኩናት ገበናት ኩናት ክፍጸም ዘለዎ ተኽእሎን ብዓሚቕ ኣተሓሳሲቡኒ ኣሎ ክብል ብትዊተር ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ ገሊጹ። ሲቪላት ክሕለዉን ሰብኣዊ ረድኤት ክኽፈትን ኣለዎ ዝበለ ሱልቫን ክልቲኦም ወገናት ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝሳለጥ ዘሎ ልዝብ ብቕልጡፍ ክጅምሩ ይግባእ ኢሉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%88%B0%E1%8D%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%8B%88%E1%8C%88%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%89%86%E1%88%8D%E1%8B%91%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%8B%AD%E1%8C%8E%E1%8B%B5%E1%8A%A1-%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%B3%E1%88%B2%E1%89%A1\/5676379.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ኣብ ክልል ትግራይ ይካየድ ኣብዘሎ ግጭት ዓለምለኸ ጣልቃ ምእታው ኣይፍቀድን ኢላ","content":"ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ይካየድ ብዛዕባ ዘሎ ግጭት ዓለምለኸ ጣልቃ ምእታው ኣይፍቀድን ኢላ።ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ \/ህወሓት\/ ብወገኑ ክሳብ ሎሚ ረቡዕ ኢዱ ክህብ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተቐመጠሉ ናይ ግዜ ገደም ነፂጉዎ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ሃገሮም ልኡላውነትን ‘’ኣብ ግዝኣቶም ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ’’ ኣፅንኦት ብምሃብ ኣብ ክልል ትግራይ ንሰሙናት ኣብ ዝቐጸለ ግጭት ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ጣልቃ ከይኣትው ሓቲቶም። ‘’ካብ ሰናይ ድልየት ንዝብገስ ስኽፍትኦም ዝድንቐ እንተኾነ እውን’’ መንግስቶም ባዕሉ ናይ ምፍታሕ ዓቕሚ ኣለዎ ኢሎም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ‘’ናይ መሓዙትና ስኽፍታታትን ምኽርን ኣብ ግምት እነእትዎ'ኳ እንተኾነ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያትና ንዝኾነ ይኹን ጣልቃ ምእታው ንነፅጎ’’ኢሎም ። ንሶም ኣስዒቦም ‘’ስለዝኾነ ድማ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ካብ ተቐባልነት ዘይብሉን ዘይሕጋውን ተግባራት ጣልቃ ምእታው ክዕቀቡን ምእትእትታው ንዝኽልክል ዓለምለኸ ሕጊ ከኽብሩን ብኽብሪ ንፅውዕ’’ ኢሎም። ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ መግለፂ ወፂኡ ዘሎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ \\ህወሓት\\ ኣብ ውሽጢ 72 ስዓታት ኢዱ ክህብ ዝተቐመጠ ናይ ግዜ ገደብ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝዛዘመሉ እዩ።መራሕቲ ህወሓት ግን ነቲ ናይ ግዜ ደረት ውዱቕ ገይሮምዎ ኣለው። ናይ ሕቡራት መንግስታት ብዛዕባእቲ ኣብ መንጎኢትዮጵያን ትግራይን ንሰለስተ ሰሙናት ዝፀንሐ ግጭት ትማሊ ሰሉስ ክዘራረበሉ መደብ ተታሒዙ እነተነበረ እውን እቲ ምይይጥ ተናዊሑ እዩ። ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ሓላፊ ፖሊሲ ወፃኢ ጆሰፕ ቦረል ትማሊ ሰሉስ ኣብ ብራስለስ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢን ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን ድሕሪ ምዝርራቦም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ እቲ ግጭት ‘’ድሮ ኣብቲ ዞባ ብዝለዓለ ኩነታት ዘይምርግጋእ ፈጢሩ ኣሎ’’ ኢሎም። ‘’ዓሌት መሰረት ዝገበረ ህወክት፣ብዙሕ ሞትን መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኸ ሕግን ይውስኽ’’ ከምዘሎ ስኽፍታቶም ገሊፆም ኣለው።ሕብረታ አውሮጳ ሓገዝ ንዘድልዮም ወገናት ረድኤት ንምእታው ውግእ ጠጠው ክብልን ምእታው ክፍቀድን ፀዊዑ ኣሎ ኢሎም። እቲ ግጭት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ክሞቱን 40,000 ስደተኛታት ድማ ናብ ሱዳን ክሃድሙን ገይሩ ኣሎ። ናይ ስልክን ኢንተርኔትን ሓዊሱ ዝኾነ ይኹን ርክብ ስለዘየለ ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት ዝተገበረ ውግእ ሓበሬታ ንምፅራይ ከቢድ ኮይኑ ኣሎ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ 'ሳምሪ' ዝተባህለ ጉጅለ መናእሰይ እንተወሓደ ን600 ስቪላት ኣምሓራን ወለቃይትን ቀቲሎም ክብል ትማሊ ከሲሱ ኣሎ። እቲ ክሲ 9 ሕዳር 2020 ኣብ ምዕራብ ክልል ትግራይ ከተማ ማይ ካድራ ተፈፂሙ ዝተባህለን ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ንዘውፅኦ ሪፖርትን ኣፃሪየ ኢሉ ዘውፅኦ ይመስል። ህወሓት ኣብዚ ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን ሪፖርት ርእይቶ ኣይሃበን።ቅድም ክብል ግን ኢዱ ከምዘይብሉ ብምንፃግ ብነፃ ኣካል ክምርመር ፀዊዑ ነይሩ። ሓይልታት ክልል ትግራይ ተወንጨፍቲ ብምትኳሶም እቲ ውግእ ናብ ኤርትራ እውን ዘሊቑ እዩ።ኢትዮጵያ ኣንፃር ምስ ኣል ቃይዳ ርክብ ዘለዎ ዕጡቓት ይዋግኡ ንዝነበሩ ብዙሓት ተጋሩ ኣባላት ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ዕጥቖም ስለዘፍትሐቶም እቲ ግጭት ንሶማል'ውን ተንኪፉዋ እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ዶባ ሕጊ ናይ ምኽባር ሓላፍነታ ዓለምለኸ ሕጊ ብዘኽብር ኣገባብ ከም እትፍፅም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣረጋጊፆም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-rejects-international-interference-in-tigray-conflict\/5676180.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ደራሲ መጽሓፍ \"ታሪኽ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ኤርትራ\"","content":"ኣብ 80'ታት ናብዚ ናብ ኣመሪካ ዝመጸ ኣማንኤል ቢኢደማርያም :The History of the USA in Eritrea ትብል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ጽሒፉ'ሎ። ካብ 1942 ድሕሪ 2ይ ኩናት ዓለም ክሳብ'ዚ ዘለናዮ ሓዲሽ ጂኦፖለቲካዊ ዳይናሚዝምን ሓዲሽ ዝምድናታትን ብሕጽር ዝበለ ኣስፊራ'ላ። ምስ ደራሲ ኣቶ ኣማንኤል ቢኢደማርያምን ገምጋሙ ዝሃበ ኣቶ ኢብራሂም ዓብደኑርን ዝተገብረ ዕላል ቀዳማይ ክፋል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%B2-%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%88%93%E1%8D%8D-%E1%89%B3%E1%88%AA%E1%8A%BD-%E1%8B%A9%E1%8A%93%E1%8B%AD%E1%89%B5%E1%8B%B5-%E1%88%B5%E1%89%B4%E1%89%B5%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-\/5675134.html"} {"headline":"'ንህዝቢ ከም ወታሃደራዊ ዒላም ምግባር ‘ጅምላዊ ቅጽዓት’ እዩ'   -ለቲሻ በደር","content":"ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ‘ሓይልታትን መራሕቲን ክልል ትግራይ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ኢዶም ንክህቡ ድሕሪ ዝገልጽ መልእኽቲ ምቅለሖም፣ ብትዊተር ርእይቶ ዝሃበት ለቲሻ በደር ‘ንሙሉእ ነባራይ ከተማ፣ ዒላማ ክገብር እየ’ ኢልካ ዘረባ ‘ጅምላዊ ቅጽዓትን ግህሰት ዓለምለኸ ሕጊን’ እዩ ክትብል ትገልጾ። እንታይ ማለትኪ እዩ? ዝብል ሕቶ ቀሪቡላ ተመራማሪት ሁማን ራይት ዋች ለቲሻ በደር ‘‘ናይ ኹናት ገበን ዝባሃል ኣሎ። እዚ ዝኾነሉ፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ብኣልማማ ደብዳብ ምፍጻም ዘጠቃልል እዩ። ብመሰረት ናይ ኢትዮጵያ ወታሃደራዊ ወሃቢ ቃል ኣብዚ ቀረባ ዝሃቦ መግለጺ ‘ኢድኩም እንተዘይሂብኩምን ንህወሓት እንተዘይኣግሊልኩምን ብኣልማማ ዒላማ መጥቃዕቲ ክትኮኑ ኢኹም’ ምባሉ ‘ጅምላዊ ቅጽዓት’ ክባሃል ይኽእል እዩ ትብል። ኣማኻሪት ሃገራዊት ጸጥታ ኣሜሪካን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ዝነበራ ሱዘን ራይስ ብወገን ‘እቲ ኣባሃህላ፣ ማዕረ ምፍጻም ‘ገበን ኹናት’ ማለት’ውን’ዩ’ ኢለን ኣለዋ። ምስ ሱዘን ራይስ ትሰማምዒ’ዶ? ንዝብል ሕቶ ክትምልስ ከላ ‘እው ክኾን ይኽእል እዩ። ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ደብዳብ ብኣልማማ ምፍጻም ‘ገበን ኩናት እዩ’ ኢላ። ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ’ቲ ውግእ ዝሳተፉ ኩሎም ወገናት ንህዝቢ ካብ ጥቅዓት ክከላኸሉ ጸዊዑ እዩ። ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ዘይስሩዕ መድረኽ ምይይጥ ከምዘካይድ ምንጭታትና ሓቢሮም ኣለው። ማሕበረ ሰብ ዓለም ነቲ ጉዳይ ብዕቱብ ዝሰርሓሉ ዘሎ ኮይኑ’ዶ ይስማዓኪ? እንታይ’ከ ክግበር ኣለዎ? ትብሊ ዝብል ሕቶ እዩ ቀሪቡላ ለቲሻ በደር ‘እዚ ኩሉ ዓለም ለኸ ትኹረት ዝጠልብ ኮይኑ አሎ። ካብ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት’ውን ኣሻቃሊ መግለጺታት ይቃላሕ አሎ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ጉድኣት፣ ሕጋዊ ዒላማ ገይሮም ዝቆጽርዎ ስፍራታትን ንልዝብ ቅሩብ ዘይምዃንን እውን ሪኢና ኣለና’ ትብል። ማሕበረ ሰብ ዓለም ካብ ተላዕለ፣ ናይ ትግራይ ውግእ ዓለም ለኻዊ መልክዕ’ዶ ሒዙ ኣሎ ትብሊ? መራሕቲ ትግራይ ‘ንመንግስቲ ኤርትራን ሃገረ ሕቡራት ዓረብ ኢምረትን ኣካል እቲ ውግእ ኮይኖም ኣለው’ ይኸሱ’ እሞ ሁማን ራይት ዋች ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ እንታይ ይብል? ተባሂላ ‘መልሲ የብለይን፣ ምኽንያቱ፣ ጭብጢ ኣብ ኢድና ስለዘይብልና ነዚ ሕቶ’ዚ ክምልስ ኣይክእልን እየ’ ኢላ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8A%A8%E1%88%9D-%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%92%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%8C%85%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%89%85%E1%8C%BD%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%8A%A5%E1%8B%A9--%E1%88%88%E1%89%B2%E1%88%BB-%E1%89%A0%E1%8B%B0%E1%88%AD-\/5675096.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ንዘሎ ግጭት ብምቅዋም ዝተኻየደ ሰልፍታት","content":"ኣብ ትግራይ ይካየድ ዘሎ ኵናት ጠጠው ክብልን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ይወርድ ኣሎ ዝበሉዎ ዓፈናን ቅትለትን ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ጠጠው ከብሎ ዝፅውዑ ሰልፍታት ትማልን ሎምን ኣብዝተፈላለዩ ከተማታት ሃገራት ዓለም ተኻየዶም። ትማሊ ሶኑይ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ተኣኪቦም ዓረብ ኢማራት ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብቲ ኵናት ትሳተፍ ኣላ ክብሉ ብምኽሳስ ናይ ተቓውሞ ድምፆም ኣስሚዖም ኣለው። ብተመሳሳሊ ትማሊ ሶኑይ ኣብ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ሎሚ ሰሉስ ድማ ኣብ እስራኤል ከተማ ቴልኣቪቭ ናይ ተቓውሞ ድምፆም ኣስሚዖም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%89%85%E1%8B%8B%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B0-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-\/5675085.html"} {"headline":"ሚ\/ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ኣብ ግጭት ክልል ትግራይ ዘተ ክቕድም ጸዊዖም","content":"ናይ ጀርመን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሄይኮ ማኣስ እውን ኣብ ክልል ትግራይ ይካየድ ብዛዕባ ዘሎ ወታደራዊ ግጭትን ሰብኣዊ ኩነታትን ብዝምልከት ትማሊ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ኢትዮጵያን ጎረባብቲ ሃገራትን ኣብዚ ዓመት ብውሑጅ፣ወራር ኣንበጣን ለበዳ ኮቪድ 19 ከቢድ ፈተና ከምዘጋጠሞም ኣዘኻኺሮም። ሕጂ ድማ ነታ ሃገር ዝኸፍል፣ንህዝቢ ዝጎድእ ዘሎን ኣብ ጎረባብቲ መንግስታት ተፅዕኖ ዘለዎን ኣብ ክልል ትግራይ ወታሃደራዊ ግጭት ይካየድ ኣሎ እዚ ድማ ኣዚዩ ሓደገኛ እዩ ኢሎም። እቲ ግጭት ንምፍታሕ ፈለማ ነቲ ወጥሪ ምህዳእን ዘተን ብምቕዳም ፖለቲካዊ መስርሕን ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ዝተጀመረ ከይዲ ለውጢ ክቕፅልን ኣለዎ ኢሎም። እቶም ወገናት ዝቐረበሎም ሽምግልና ክቕበሉዎ እውን ፀዊዖም። ተመራፃይ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኽኾኑ ዝሓረይዎም ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው፣ብሄር ዒላማ ዝገበረህውከትን ኣብ ዞባዊ ሰላምን ፀጥታን ብዘሕደሮ ሓደጋ ብዓሚቕ ከምዘሻቐሎም ገሊፆም። ንሶም ብቲዊተር ኣቢሎም ኣብ ዝዘርግሑዎ መልእኽቲ ህወሓትን ሰበስልጣን መንግስትን እቲ ግጭት ከብቅዕ፣ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣትውን ስቪላት ሓለዋ ክግበረሎምን ስጉምትታት ክወስዱ ፀዊዖም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8C%80%E1%88%AD%E1%88%98%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%8A%AD%E1%89%95%E1%8B%B5%E1%88%9D-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%96%E1%88%9D\/5675062.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ ማይካድራ ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ብውሑዱ 600 ሰባት ምሟቶም ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ከተማ ማይካድራ ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ብውሑዱ 600 ሰባት ከምዝትቐተሉ ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሊጡ። እቲ ኮሚሽን ሎሚ ሶሉስ ኣብ ዘውፅኦ ሪፖርት ናብቲ ከባቢ መርማሪ ጉጅለ ብምልኣኽ ዘስካሕክሕ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰል ምፍፃሙ ኣረጋጊፀ ኣለኹ ይብል። ሪፖርት'ቲ ኮሚሽን እቲ መጥቓዕቲ ሚሊሺያታት ክልል ትግራይ ዘተሓባበሩዎን ኣብቲ እዋን ኣብ ስልጣን ዝነበረ ናይቲ ወረዳ ምምሕዳርን መሓውር ፀጥታን ‘’ሳምሪ’’ ብዝተባህለ ዘይስሩዕ ጉጅለ መናእሰይን እዩ ተፈጺሙ ይብል። መራሒ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ሰባት ዝፍፀመ ዝኾነ ይኹን ግፍዒ ክኹነን ኣለዎ ብምባል፣ኣብ ማይ ካድራ ዝተፈፀመ ቕትለት እውን ንኹንኖ ኢሎም።እቲ ቕትለት ብነፃ ወገን ተፃሪዩ ፈፀምቱ ናብ ሕጊ ይቕረቡ ምባሎም ይዝከር። ብኻልእ ወገን ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ብዘካይዱዎ ዘለው ኵናት ምስቲ ኵናት ርክብ ዘይብሎም ሰላማዊያን ዜጋታት ድሕንነቶም ክሕልው ኣተሓሳሲቡ።መንግስቲ ኢትዮጵያ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ናብቲ ከባቢ ኣትዮም ክሕግዙ ኩነታት ከመዓራርይ'ውን'ቲ ትካል ጸዊዑ'ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%9B%E1%8B%AD%E1%8A%AB%E1%8B%B5%E1%88%AB-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%98-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%89%A5%E1%8B%8D%E1%88%91%E1%8B%B1-600-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5674931.html"} {"headline":"2.3 ሚልዮን ቆልዑ ኣብ ክልል ትግራይ ህጹጽ ሓገዝ የድልዮም - ዩኒሴፍ","content":"2.3 ሚልዮን ቆልዑኣብ ክልል ትግራይ ንህጹጽ ሓገዝ ተቃሊዖም ከምዘለውን ዩኒሴፍ(ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት) ኣፍሊጡ። ቅድሚ እዚ ዳሕረዋይ ተርእዮ፣ 54 ሽሕ ቆልዑ ኣብ መዓስከራት ስደተኛ፣ 36 ሽሕ ቆልዑ ድማ ውሽጣዊ ተመዛበልቲ ከምዝጸንሑ ሪፖርት ዩኒሴፍ ይሕብር። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%89%86%E1%88%8D%E1%8B%91-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%85%E1%8C%B9%E1%8C%BD-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8B%A8%E1%8B%B5%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%88%9D---%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%88%B4%E1%8D%8D\/5673713.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ግጭት ንምፍታሕ ብሕ\/ኣ ዝተመዘዙ ልኡኻት ከምዝተቐበሎም ኣፍሊጡ","content":"ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዘሎ ግጭት ብሰላም ንምፍታሕ ሕብረት ኣፍሪቃ ሰለስተ ኣባላት ዝሓቖፈ ላዕለዋይ ልኡኽ ምሻሙ ብሓጎስ ተቐቢሎምዎ። ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ብወሃቢ ቃሎም ስቴፋን ዱጃሪክ ኣቢሎም ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾኑ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎዛ ንዝወሰዱዎ ተበግሶ ብምምስጋን ናይ ሕቡራት ሃገራት ምሉእ ደገፍ ከምዘለዎ ሓቢሮም።ነዚ ናይ ሰላም ተበግሶ ንዘዳለው ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዘለዎም ናእዳ እውን ገሊፆም ኣለው። እቶም ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ሰላም ዝሰፈነላ፣ዝተረጋግአትን ዝበልፀገትን ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ኣብ ዝካየድ ፃዕሪ ንምሕጋዝ ዘለዎም ድልውነት ደጊሞም ኣረጋጊፆም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%88%95-%E1%89%A5%E1%88%95-%E1%8A%A3-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%98%E1%8B%99-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BB%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%90%E1%89%A0%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5673557.html"} {"headline":"መግለጺ ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት ቲቦር ናዥን ኣምባ.ማይክል ረይነር ኣብ ህልው ኩነታት ኢትዮጵያ","content":"ምኽትል ሚንስተር ወጻኢ ኣሜሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ቲቦር ናጅ ኣብቲ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ብዛዕባ'ቲ ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ዝገበሮ ርክብ`ውን ተሓቲቱ ኔሩ። ብዲፕሎማሲያዊ መዳዩ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኤርትራን ከም ኣካል ዝሓሸ ዝምድና`ዶ ክርኣይ ይክእል ዝብል ሕቶ ቀሪብሉ ከምዚ ክብል መሊሱ፡​\"ቕድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ኤርትራ በጺሐ ኔረ። ሽዕኡ ብወገን ኣሜሪካ እንተኾይኑ ልክዕ ከምቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለና ኣወንታዊ ርክብ ምስ ኤርትራ'ውን ማዕርኡ ዝኾነ ርክብ ክህልወና ከም እንደሊ ገሊጸሎም ኔረ። ነቲ ግጭት ኣህጉራዊ ቅርጺ ንምትሓዝ ብዛዕባ ዝግበር ግን ሓደገኛ 'ዩ ክነውግዶ ኢና ንደሊ። ኤርትራ በቲ ምትኹታኽ መሪሕነት ህወሓት ግብረ መልሲ ብዘይምሃባ ድማ ነመስግና። ዕላማ መሪሕነት ህወሓት ግን ከምኡ'ዩ ኔሩ።\" ቲቦር ናጅ ኣተሓሒዙ ህወሓት ዝገበሮ፥ መንግስቲ ኤርትራ ግብረ መልሲ ክህብ`ሞ ኣብ ህዝቢ ትግራይ`ውን ስምዒት ንምልዕዓል`ዩ ኔሩ፥ ኤርትራ ካብ ግብረመልሲ ምቑጣባ ግን ናእዳና ንገልጽ፡ ከምኡ`ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ ኣህጉራዊ ቅርጺ ንከይሕዝ ጥንቃቐታት ወሲዱ`ዩ ምኽንያቱ እቲ ዞባ ካብ ኣፍሪቃ እቲ ዘይርጉእ ከባቢ ኮይኑ ጸኒሑ`ዩ ኢሉ። ቀጺሉ ዝቐረበሉ ሕቶ፥ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ጭፍጨፋ ከም ዝተፍፈጸመ ገሊጽካ ኔርካ፥ ኣብ ትግራይ ናይ ምጽናት ዓሌት መረዳእታ ዝርኣኹሞ ኣሎ`ዶ ዝብል ክኸውን ከሎ ሕጽረት መራኸቢ ስለዘሎ ዝመጻና ዘሎ ሪፖርት ሓሓሊፉ ፍጻመታት ከምዘሎን፥ ገለ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ብገበናት ኩናት ዝገለጽዎን`ዩ። ብኸምኡ ኢና ድማ ናጻ መርመራ ክካየድ ንጽውዕ ዘለና ኢሉ። ብዛዕባ`ቲ ግጭት ብሽምግልና ክፍታሕ ይኽእል`ዶ ዝብል ዝቐረበሉ ሕቶ ድማ ከምዚ ይብል፥\"ሽምግልና ናብ ዕላማኻ ንምብጻሕ ትጥቀመሉ ታክቲክ'ዩ'ምበር፡ ንባዕሉ ናይ መወዳእታ ሸቶ ኣይኮነን። ዕላማና እቲ ግጭት ብቕልጡፍ ኣብቂዑ ሰላም ክምለስን ሰለማውያን ድሕነቶም ክረጋገጽን ኢና ንደሊ። ሽምግልና ኣብ ዘድልየሉ፥ ክልቲኦም ወገናት ናይ ሽምግልና ድልየት ኣብ ዘርእይሉ እዋን ግን ንሕና ብቐዳምነት ኣብኡ ኣለና።\" ብኻልእ ወገን ግን ኢሉ ቲቦር ናጅ፥ ጎኒ ንጎኒ`ቲ ወተሃደራዊ ጎስጓስ ፥ ፖለቲካዊ ጎስጓስ`ውን ይካየድ ኣሎ`ዩ። ተጋሩ ጸላእቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣይኮኑን፥ ትግራዎት ኣካል ናይቶም ብዙሓት ብሄረሰባት ኢትዮጵያ`ዮም ዝብል ጎስጓስ ይካየድ`ዩ። ብዛዕባ ህወሓት ክትዛረብ እንተኾይንካ`ውን ህወሓት ኣማኢት ኣሽሓት ኣባላት ዘለውዎ ሰፊሕ ፓርቲ`ዩ፡ ስለዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ገለ መራሕቲ ህወሓት ጥራይ ጸገም ከምዝጸንሖ`ዩ ዝርድእና ድሮ`ውን ንትግራይ ግዚያዊ ኣመሓዳሪ ሰይሞም ኣለዉ ኢሉ። መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ንፖለቲካዊ ተቓወምቱ ከምዝኣሰረን፡ ንዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዶ\/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ድማ ንህወሓት ብምሕጋዝ ከምዝኸሰሰን፥ ሰራዊቱ ድማ ኣብ ትግራይ ንሲቪላት ይድብድብ ኣሎ ክብል ዝጠቐሰ ካልእ ሓታቲ ድማ እቲ ክሲ ሓቂ እንተኾይኑን፥ መንግስቲ ኣሜሪካ ድማ ነቲ ግጭት ደው ከብሎን ሲቪላት ክሕለዉን እኩል`ዶ ይገብር ኣሎ ክብል ሓቲቱ፡ ቲቦር ናጅ፥ መንግስቲ ኣሜሪካ ነቲ ግጭት ንምዕራፍ ኩሉ ዝክእሎ ይገብር ኣሎ -ኸምኡ ሲቪ ላት ክምለሱን መራኸቢታት ክኽፈቱን ንጽዕር ኢና- ነቲ ኩናት ደው ከብልዎ ዝኽእሉ ግን ባዕላቶም ክልቲኦም ወገናት`ዮም ኢሉ። ብዛዕባ'ቲ ዘልዓልካዮ ክስታት ናብቶም ምንጪ'ቲ ኽሲ ዝኾኑ ኣካላት ኢኻ ክትወስዶ ዘለካ።ከምቲ ዝበልክዎ ግን ምስ ኩሎም ወገናት ኣብ ጽምዶ ኣለና ናይ ሰላም ዕድላት ኣብ ዝረኣናሉ ድማ ክንሰርሕ ኢና ኢሉ። ምኽትል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ቲቦር ናጅ፥ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ምስ ህወሓትን ተራኺቡ እንተኾይኑን፥ ካብ ሸነኽ ኣሜሪካ ነቲ ግጭት ብሽምግልና ንምዕራፍ ድፍኢት ኣሎ እንተኾይኑን ተሓቲቱ፥ ኣቐዲመ ከምዝበልክዎ ሽምግልና ሸቶ ኣይኮነን እቲ ሸቶ ሰላም ምምላስ'ዩ፥ ሽምግልና ዝሰርሕ እቶም ተዋሳእቲ ድልዋት ክኾኑ ኸለዉ'ዩ ኢሉ። ነዚ ሕቶ'ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ማይክ ረይነር'ውን መልሲ ሂብሉ ኔሩ። ምስቶም መራሕቲ ምርኻቡ'ውን ይገልጽ \"ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር​ ኣቢይን ምስ ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽየንን ተዘራሪበ ኔረ። መጀመርያ ዘልዓልክዎ ነገር ኣገዳስነት ምብቃዕ ኩናት'ዩ። ዕርቂ ወይ ሽምግልና ምጥቃም ዝክኣል እንተኾይኑ'ዩ'ውን ኣልዒለሎም ኔረ። ኣብቲ እዋን ከምኡ ዓይነት ተቐባልነት ኣይረኸብኩን። እቲ ወተሃደራዊ ግጭት ናይ ምቕጻሉ ድልየት'የ ርእየ።\" ብኽልቲኦም ወገናት ናይ ልዝብ ሸውሃት እንተዘይሃለወ 'ውን ብዛዕባ ሰብኣዊ መተሓላለፊ መስመራት፥ከምኡ'ውን ብዛዕባ ምቁራጽ ተጻብኦታት ዝግበር ነገራት እንተሎ ዝብል ሕቶ'ውን ቀሪቡ ኣምባሳደር ረይነር ​\"እዚ ምስ ሰብኣዊያን ትካላትን መንግስታትን ብምዃን ክንደፍኣሉ ዝጸናሕና'ዩ።ከም ነዳድን ካልኦት ቀረባትን ዝሓልፍሉ መስመራት ክኽፈቱ ምስቲ መንግስቲ ነልዕሎ ዘለና ጉዳይ'ዩ። ክንሰርሓሉ ኢና'ውን ይብሉና'ዮም። ምስ ህወሓት ምስ ኣልዓልናዮ ከኣ ብዛዕብኡ ዘሎ ተኽእሎ ኣይረኸብናን። ክንደፍኣሉ ኢና ግን ብወገን መንግስቲ ዘሎ ርእይቶ ድማ እቲ ኹናት ኣብ ቀረባ ከምዝውዳእ'ዩ። ሕቡራት ሃገራት ናብ ጽጉማት ሰብኣዊ ረዲኤት ከብጽሕ ግን መተሓላለፊ ክፍጠር ምጽዓርና ክንቅጽል ኢና\" ክብል ይምልስ። ንቲቦር ናጅ ቀጺሉ ዝቐረበሉ ሕቶ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩናት በዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩናት'ዶ ይወዳእ ይኸውን ወይስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ካልኦት ከባብታት'ውን ሓይሉ ከድልድል ይደፍእ ይኸውን? ከምኡ'ውን መራሕ ህወሓት ብዛዕባ ምብትታን ኢትዮጵያ ተዛሪቡ ኔሩ- ስለዚ ስግኣት ኣለኩም'ዶ ተባሂሉ ተሓቲቱ፥ ክምልስ ከሎ ህወሓት ነዚ ክጅምር ከሎ ንቀዳማይ ሚኒስትር ንምዕላው'ምበር ንፍላይ ኣይመስለንን፡ ምኽንያቱ ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰላም ንምፍላይ የፍቅድ'ዩ። ስለዚ ሕጂ ናብቲ 27 ዓመታት ዝነበሮም ደረጃ ንምምላስ ዝተጠቐምሉ ታክቲክ ኣንጻራዊ ዝኾነ ሳዕቤን ዘምጽኣሎም ይመስለኒ። ድሓር'ውን እቲ ኩነታት እታ ሃገር ኣብ ጎኒ ቀዳማይ ሚንስተር ከምትስለፍ ዝገበረ ይመስለኒ ኢሉ። ቲቦር ናጅ ኣተሓሒዙ፥ እዚ ኣብ መንጎ ክልተ መንግስታት ዝካየድ ግጭት ኣይኮነን ብምባል፥ እዚ ነሓደ ክልል ዘመሓድር ኣካል ኣንጻር ማእከላይ መንግስቲ ተጻብኦታትን ምግባር ወሲኑ ግን ዘይሰለጦ'ዩ' ኢሉ። ብዛዕብኡ መወሰኽታ ዝሃበ ኣምባሳደር ረይነር ብወገኑ፥ እቲ ዝተረፈ ከባብታት ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን'ዚ ህዱእ ከምዘሎን መንግስታት ክልልን ህዝብታትን ኣብ ጎኒ ፈደራል መንግስቲ ከም ዝኾኑ ዝተገብረሉን ኩነታት'ዩ ዘሎ ኢሉ። ኣብ መቐለ ዩኒቨርሲቲ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝተፈጸመን መረጋገጺ ረኺቦም እንተኾይኖምን ዝተሓተተ ቲቦር ናጅ ናይ ርክባት ጸገማት ስለዘሎ ንምጽራዩ ከም ዝኸብድ ኣብታ ናይ ክብሪ ዶክትሬት ዝተዋህበላ ዩኒቨርሲቲ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ እንተኾይኑ ግን ዘሕዝን ከምዝኸውን ጠቒሱ። ኣብ መወዳእታ ዝቕረበ ሕቶ ኣብ ኢትዮጵያ ዓሌት ናይ ምጥፋእ ገበናት ምልክት'ዶ ትርኢ ኣለኻ ዝብል'ዩ ኔሩ \"እወ ክብለካ ኣይክእልን'የ። ግን ዝኾነ ተፈጺሙ ዝብሃል ግፍዒ የሻቕለና'ዩ። ነዚ ኢና እቲ ኩነታት ብግቡእ ክትሓዝ ኣለዎ ንብል። ዝተፈጸመ ግፍዕታት ብናጻ ወገን ክጻረ ኣለዎ። እቶም ተሓተቲ ድማ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ኣለዎም። እቲ ዓሌታዊ መኣዝኑ ንኹሉ ኣሻቒሉ'ዩ። ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ዝገብርክዎ ርክብ ንሳቶም'ውን ከምዘሻቕሎም እየ ርእየ። እቲ ዝነበረ ጭቆና ፍኹስ ስለዝበለን ዝያዳ ውልቃዊ ናጽነታት ምስ ተረኽበን እቲ ዓሌታዊ ግጭታት ክርኣይ ክኢሉ'ዩ።እዚ ድማ ንቐዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ካልእ ብድሆ'ዩ። \" ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናጅ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ኩናትን ኣብ ሲቪላት ዝወርድ ጉድኣትን ኣሜሪካ ብቐረባ ምክትታላ ከምትቕጽልን ኩሉ ፍጻመታት ብዕቱብ ከምዝርእይዎን ኣፍሊጡ ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%B2%E1%8D%95%E1%88%8E%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%89%B2%E1%89%A6%E1%88%AD-%E1%8A%93%E1%8B%A5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3-%E1%88%9B%E1%8B%AD%E1%8A%AD%E1%88%8D-%E1%88%A8%E1%8B%AD%E1%8A%90%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%88%8D%E1%8B%8D-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/5673263.html"} {"headline":"ሰበር ዜና:ሕብረት ኣፍሪቃ ንውግእ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሽምግሉ ልኡኻት መሪጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ውግእ ዝተጸመዱ ወገናት ዘላዝቡ ስለስተ ፕረዚደንታት ሃገራት ዝነብሩ ሸምገልቲ ከምዝተመዘዙ፣ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ንፕረዚደንት ኢትዮጵያ ወ\/ሮ ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊጾምለን። እቶም ኣቦ ወንበር ብቲዊተር ኣብ ዝዘርግሑዎ መልእክቲ እዮም ነዚ ዘፍለጡ። እቶም ንሽምግልና ዝተመዘዙን ፍሉያት ልኡኻት ሕብረት ኣፍሪቃን ንክኾኑ ብፕረዚደንት ሲረል ራማፎዛ ዝተሾሙ መራሕቲ ነበር፣ ፕረዚደንት ሞዛምቢክ ዝነበሩ ዮአኪም ቺሳኖ፣ መራሒት ሴራልዮን ዝነበራ ኢለን ጆንሰን ሰርልፍን ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበሩ ካሌማ ሞታንቴን እዮም። ሰለስቲኦም ልኡኻት ናብ ኢትዮጵያ ተበጊሶም፣ ኣብ ፌደራል ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ንዝጻብኡ ወገናት ኣብ ምሽምጋል ከምዘሕግዙ ፕረዚደንት ሲርይል ራማፎዛ ንፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ከምዝገለጹለን ተፈሊጡ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/au-chair-selects-three-special-envoys-to-help-mediate-the-conflict-in-ethiopia\/5670875.html"} {"headline":"ኣብ ማይ ካድራ እንታይ እዩ ተፈፂሙ? ካብ ቃል ነባራይ ናይታ ከተማ","content":"ኣብ ትግራይብሰንኪ ይካየድ ዘሎ ኵናት ካብ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ማይካድራ ሃዲሙ ኣብ ‘’ሓሻባ ተማኒያ’’ ዝተብሃለ ማእኸል ስደተኛታት ዝርከብ ስደተኛ ኣብ ማይ ካድራ 30 ጥቅምቲ ናብ 1 ሕዳር 2013 ዓ\\ም ለይቲ ምሉእ ኣብ ልዕሊ ሰባት ጭፍጨፋ ምፍፃሙ ይገልፅ።ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለ እዚ ነባራይ ማይካድራ መንን መን ከምዝጨፍጨፈንምግልፅ እንተኸበደ እውንጀመርቱግንብዓረብኛ ‘ሳዕሉግ’ ተባሂሎም ዝፅውዑ ስድራን 'ሓላፍነትን’ ዘይብሎም ዝበሎም ኢትዮጵያዊያን ናይ በረኻ ሰራሕተኛታት እዮም ይብል። ፖሊስን ፍሉይ ሓይልን ትግራይ ካብታ ከተማ ምስወፁ እሱራት እውን ካብ ቤት ማእሰርቲ ወፂኦም እቲ ቕትለት ከምዝተኻየደ፣ስድርኡ ኣቐዲሞም ሃዲሞም ንሱ ድማ ሓደ ሕዳር ካብ ማይ ካድራ ወፂኡ ብእግሩ ሃዲሙ ካብ 75 ክሳብ 80 ኪሎ ሜትር ተጓዒዙ ናብቲ መዕቆቢ ስደተኛታት ከምዝኣተወ ይገልፅ። ኣብቲ መዕቖቢ ስደተኛታት ፀገም ምግቢ ከምዘሎ ብምሕባር ክሳብ ሎማዕንቲ ሰባት ካብ ትግራይ ብበዝሒይውሕዙ ከምዘለው ገሊፁ። ምሉእ ድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/accounts-of-mai-kadra-killings-and-the-state-of-the-ethiopian-refugees-in-sudan\/5670580.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ክሃድእን ተጻብኦ ደው ክብልን ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት ቲቦር ናዥ ጸዊዖም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ብህጹጽ ክሃድእን ተጻብኦ ደው ክብልን ናብ ሰላም ክምለስን ኣትሪርና ንጽውዕ ክብሉ ሓጋዚ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ቲቦር ናዥ ተዛሪቦም። እቶም ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት ምስ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ረይነር ብምዃን ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኹናት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ’ዩ ም ነዚ ዝበሉ። ቲቦር ናዥ ኣብቲ መግለጺ ካብ ጋዜጠኛታት ዝቐረበሎም ሕቶታት'ውን መሊሶም’ዮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%83%E1%8B%B5%E1%8A%A5%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8C%BB%E1%89%A5%E1%8A%A6-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%88%88%E1%88%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%88%AA%E1%88%AD%E1%8A%93-%E1%8A%95%E1%8C%BD%E1%8B%8D%E1%8B%95-%E1%89%B2%E1%89%A6%E1%88%AD-%E1%8A%93%E1%8B%A5\/5670767.html"} {"headline":"ህወሓት ናይቲ ከም ብሓዲሽ ዝትከል ግዚያዊ ምምሕዳር ኣካል ክኸውን ከምዘይፍቀደሉ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣፍሊጡ","content":"ብባይቶ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ዝተመስረት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ቀንዲ ፈጻሚ ስራሕ ኾይኖም ዝተመዘዙ ዶ\/ር ሙሉ ነጋ ድሕሪ’ቲ ፈደራል መንግስቲ ዘካይዶ ዘሎ ወታሃደራዊ ወፍሪ እቲ ክልል ዝምርሓሉ ቻርተር ተዳልዩ’ሎ ክብሉ ተዛሪቦም። ንሶም ወሲኾም ካቢነ’ቲ ክልል ዳግማይ ክዋደድ’ዩ ክብሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም ኣለው። ባይቶ ፈደረሽን ጥቅምቲ 28,2013 ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ’ዩ ተጸዋዕነቱ ንፈደራል መንግስቲ ዝኾነ ግዝያዊ ምምሕዳር ክምስረት ውሳነ ዘሕለፈ፥ እቲ ውሳነ ኣብ ሕገ መንግስቲ’ታ ሃገር ፈደራል መንግስቲ ኣብ ክልል ጣልቃ ዝኣትወሉ ዓንቀጽ ኣዋጅ 359\/1995 መሰረት ምዃኑ ባይቶ ፈደረሽን ኣፍሊጡ። ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኸአ ነዚ መሰረት ጌሩ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተመስረት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣመልኪቱ ተግባራዊ ዝኸውን ስሪት ኣጽዲቑ : ንዶ\/ር ሙሉ ነጋ ካሕሳይ ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ቀንዲ ፈጻሚ ስራሕ ጌሩ መዚዝዎም። እዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ብመሰረት ውሳነ ባይቶ ፈደረሽን ብውሑዱ 6 ወርሒ ዝኸው ዝጸንሕ’ዩ ዝበሉ ዶ\/ር ሙሉ ነጋ ብአና ወገን ንኹሉ ዘሳተፈ ህዝቢ ዝመረጾ ዲሞክራሲያዊ ዝበልዎ ህዝቢ ብዝመረጾ ኣመራርሓ ክሳብ ዝምስረት ናብዚ ንምስግጋርን’ዩ’ቲ ቀንዲ ስርሑ ኢሎም። ዶ\/ር ሙሉ ነጋ ቀንዲ ፈጻሚ ስራሕ ‘ቲ ብቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ዝተመስረት ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ: ህውሓት ኣብቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክሳተፍ ኣይተፈቀደሉ: እቶም ኣብ ስልጣን ምምሕዳር ዘለው’ውን በቲ ባይቶ ፈደረሽን ዘይሕጋዊ ዝበሎ ምርጫ’ቲ ክልል ዝተመረጹ’ዮም ኢሎም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%89%B2-%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%88%E1%8D%8D%E1%88%AA-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%93%E1%88%89-%E1%89%BB%E1%88%AD%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%89%B0%E1%8B%B3%E1%88%8D%E1%8B%A9-%E1%88%8E-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%88%99%E1%88%89-%E1%8A%90%E1%8C%8B\/5670749.html"} {"headline":"ዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃ ንዶ\/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም 'ከምዝተኣማመኑሎም' ገሊጾም","content":"ትማሊ ኣብ ልዕሊ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዝኾኑ ዶ\/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ድሕሪ ዝተቃለሀ ወቀሳ ሕቶ ዝቀረበሉ ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ግብረ መልሲ ሂቡ። ሚስተር ስተፈን ያሪክ ኣብ’ቲ ትማሊ ዝነበረ ጋዜጣዊ መግለጺ \"ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ልዕሊ ዶ\/ር ቴደሮስ አድሓኖም ሙሉእ እምነት አለዎም፣ ዶ\/ር ቴድሮስ፣ ኣብነታዊ ዓለምለኻዊ ኣገልጋሊ እዮም\" ኢሉ። \"ዶ\/ር ቴድሮስ ንውድብ ጥዕና ዓለም ዝመርሐሉ ኣገባብ ተዓዚብናዮ ኢና። ንሱ፣ ኣብ እዋን ኢቦላ፣ ኮቪድ፣ እዋናት ህጹጽ ጊዜን፣ ቅድሚ ኩሉ ዓለምለኸ ህጹጽ ጥዕና ከጓንፍ ከሎ ትኩር ሰብ ኮይኑ ኢና ረኺብናዮ\" ከምዝበለ ነቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተኸታተለት ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ገሊጻ። ዶ\/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብግዲኦም ኣብ ዝፈነውዎ ትዊተር \"በቲ ኣብ ዓደይ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ቅስመይ ተሰይረ ኣለኹ፣ ኩሎም ወገናት ንሰላም ንክጽዕሩን ጥዕናዊ ኣገልግሎትን ሰብኣዊ ሓገዛትን ናብ ተጸበይቲ ንክባጻሕ ንከሕግዙ መጸዋዕታይ ኣቅርብ\" ኢሎም። ዶ\/ር ቴድሮስ: ሞት ሰላማዊያን ሰባትን ብርክት ዝበሉ ካልኦትን ናብ ሱዳን ይስደዱ ከምዘለው ብምስማዐይ ተሰናቢደ እየ ዝበሉ ፣ ኣብ እዋን ለበዳ ምዃኑ ድማ ብዛዕባ ጥዕናኦም ዝያዳ ዘሻቅል እዩ ኢሎም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%8A-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%95%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%89%B4%E1%8B%B5%E1%88%AE%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%B5%E1%88%93%E1%8A%96%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%A3%E1%88%9B%E1%88%98%E1%8A%91%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/5670699.html"} {"headline":"ሰልፊ ኤርትራዊያን ነበርቲ ከተማ መቐለን ከባቢኣን","content":"ኣብ መቀለን ከባቢኣን ዝነብሩ ኤርትራዊያን፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ኹናት ንዝበልዎ ብሰላማዊ ሰልፊ ተቃውሞኦም ገሊጾም። ብርክት ዝበሉ ኤርትራዊያን ነበርቲ መቀለን ከባቢአን ፣ ኣብ 6 ሕዳር 2013 ዓ\/ም አብ ጎደናታት ከተማ መቀለ ብምዝውዋር ተቃውሞኦም ገሊጾም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%8A%A3%E1%8A%95\/5669231.html"} {"headline":"ምኽትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ከምዘሻቐሎ ገሊጹ","content":"ምኽትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ ጉዳይን ምትሕብባር ደርኤትን ማርክ ሎውኮክ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ከምዘሻቐሎ ገሊጹ። ቅድሚ'ዚ ግጭት ምጅማሩ'ውን ኣብ ክልል ትግራይ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ኣብቲ ኸባቢኡ'ውን ካልኦት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝደልዩሉ ሰባት ዝነብርሉ እዋን'ዩ ዝበለ ማርክ ሎውኮክ፥ እቲ ግጭት ነቲ ኩነታት ኣብ ልዕሊ ምብእኣሱ ሰራሕተኛታት ረድኤት'ውን ንስርሖም የተዓናቕፎ'ሎ ኢሉ። ሕቡራት ሃገራት ቅልጡፍ ሰብኣዊ ረድኤት ዝበጽሓሉ መስመራት ንምኽፋት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝምልከቶም ኣካላትን ኣብ ጽምዶ ከምዘሎ'ውን ጠቒሱ። ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዘሎ ኩናት ናብ ሱዳን ዝሃደሙ ልዕሊ 30 ሺሕ ከምዝበጽሑን፥ንመዓልቲ ልዕሊ ኣርባዕተ ሺሕ ከምዝውሰኹን ወሃቢ ቓል ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ባባር ባሎች ኣፍሊጡ። ባባር ባሎች ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቲ ኩነታት ምሉእ ሰብኣዊ ቅልውላው ምዃኑን ኩሎም ወገናት ተጻብኦታት ደው ኣቢሎም ሲቪላት ናብ ዓዶም ዝምለስሉ ኩነታት ክፈጥሩን ጸዊዑ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%89%B5%E1%88%8D-%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%8A-%E1%88%95%E1%89%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%BB%E1%89%90%E1%88%8E-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5669105.html"} {"headline":"ፈደራል ዓቃቢ ሕጊ ባንኪ ሒሳብ 34 ናይ ህወሓት ትካላት አጊዱ","content":"34 ናይ ህወሓት ፋይናንሳውን ዝተፈላለዩ ኢንዱስትሪያዊ ትካላትን ናይ ባንኪ ሕሳበን ከምዝኣገደ ናይ ፈደራል ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣፍሊጡ። ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ንሃብቲ'ተን ትካላት ዝሕሉ ኣመሓዳሪ ከም ዝሸውም'ውን ተገሊጹ'ሎ። ሱር ኮንስትራክሽን፥ ጉና ትካል ንግዲ፥ ትራንስ ኢትዮጵያ፥ መስፍን እንዳስትሪያል ኢንጂነሪንግ፥ ሰላም ናይ ህዝቢ መመላለሲ ማሕበር፥ መጋ ትካል ሕትመት፥ ኤፈርት፥ ገንዘቦም ካብ ዝተኣገዶም 34 ትካላት ገሊኦም'ዮም። ኣብ ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ዳይሬክተር ክፍሊ ምምላስ ብገበን ዝተታሕዘ ሃብቲ ዕላማ ተኣግዶ እተን ትካላት ምስ ዘይሕጋውያን ኣካላት ርክብ ብምግባርን ብምትሕብባርን ከምዝተጠርጠራ ሓቢሩ'ሎ። ከምኡ'ውን እተን ትካላት ሃብተን ንምህዳም ይፍትና ከምዘለዋ እኹል መረዳእታ ስለዝተረኽበ እቲ ንብረት ከይሃደመ ግቡእ ቁጽጽር ምግባር ኣድላዪ እዩ ኢሉ። ነተን ትካላት ዝሕሉ ሓዲሽ ኣመሓዳሪ ከምዝሽወም ዝገለጸ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ፥ እቲ ኣመሓዳሪ ክሳብ ዝምደብ ግን ሓለፍቲ'ተን ትካላት ዝግባእ ሓለዋ ክግብሩ ተነጊሮም ከምዘሎ ኣፍሊጡ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%89%83%E1%89%A2-%E1%88%95%E1%8C%8A-34-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%89%A3%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%88%92%E1%88%B3%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8C%8A%E1%8B%B1\/5669082.html"} {"headline":"ህውሓት አካል'ቲ ሓድሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ከምዘይከውን ተገሊጹ","content":"ህወሓት ናይቲ ከም ብሓዲሽ ዝትከል ግዚያዊ ምምሕዳር ኣካል ክኸውን ከምዘይፍቀደሉ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ። ዶ\/ር ሙሉ ነጋ ኣብ ዘረብኡ፥ ኣብዚ ሕጂ ኣብ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዘለዉ መብዛሕቲኦም ብዘይ ሕጊ ዝተመረጹ'ዮም ኢሉ። ብዝተሓሓዝ ዜና፥ ንህወሓት ድጋፍ ኣብ ምሃብን ብተጽዕኖ ኣብ ልዝብ ክንኣቱን ይሰርሕ ኣሎ ንዝበሎ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ልዕሊኡ ብዛዕባ ዝውሰድ መርገጺ ኣብ ግልጺ ውሳነ ከምዘይተበጽሐ ወሃቢ ቓል ህጹጽ ኣዋጅ ኣምባሳደር ረድዋን ሑሴን ሓቢሩ'ሎ። ኣምባሳደር ረድዋን ኮይኑ ግን መንግስቲ ናይ ቴድሮስ ምንቅስቓስ ይፈልጥ'ዩ ኢሉ ። ዶ\/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን ሚንስተር ወጻኢ ኢትዮጵያን ምንባሩ ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%89%B2-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%8C%8D%E1%8B%9D%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8A%A8%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5669068.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ መራሕቲ ህወሓት ተወሳኺ ገበናት ካብ ምፍጻም ኢድኩም ሃቡ ክብል ጸዊዑ","content":"መራሕቲ ህወሓት ተወሳኺ ገበናት ካብ ምፍጻም ኢድኩም ሃቡ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ጸዊዑ። ብክፍሊ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ዝወጸ መግለጺ ንመራሕቲ ህወሓት ብተደጋጋሚ ገበናት ከሲሱ'ሎ። ኣብ ማይ ካድራ ዝተፈጸመ ካብቲ ገበናት ሓደ ምዃኑ ዝጠቐሰ መንግስቲ ኢትዮጵያ፥ እቶም ተሓተትቲ ናብ ፍትሒ ክቐርቡ'ዮም ኢሉ። ጠቕላሊ ሓለቓ ወታሃደራዊ ስታፍ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ብወገኑ፥ መራሕቲ ህወሓት ኢዶም ሂቦም ፍትሒ ካብ ምርኣይ ወጻኢ ዝኾነ ካልእ መውጽኢ የብሎምን ኢሉ። እቲ ጀነራል ብተወሳኺ ንዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ቴድሮስ ኣድሓኖም ንህወሓት ዲፕሎማሲያውን ናይ ኣጽዋርን ድጋፍ ክግበር ብፍታን ከሲስዎ'ሎ። ብኻልእ ዜና ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ምስ ህወሓትን ኦነግ ሸኔን ርክብ ኔርዎም ንዝበሎም 287 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታው ኣፍሊጡ። ወሃቢ ቓል ፈደራል ፖሊስ ኣብዲ ጀላን ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝሓበሮ፥1032 ብረት፥ 131 ሸጓጉጥ፥ ከምኡ'ውን ልዕሊ 46 ሺሕ ጠያይቲ ተታሒዙ'ሎ። ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ከምኡ'ውን ወታሃደራዊ ኣልባሳት ፓስፖርትታት ዝኣመሰለን ሰነዳት'ውን ምትሓዙ ኣፍሊጡ'ሎ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B3%E1%8A%BA-%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%8C%BB%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%8B%B5%E1%8A%A9%E1%88%9D-%E1%88%83%E1%89%A1-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%91\/5669060.html"} {"headline":"ልዕሊ 30 ሽሕ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ኣትዮም ኢሉ ሕቡራት መንግስታት","content":"ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ይካየድ ዘሎ ወታደራዊ ግጭት ልዕሊ 30,000 ኢትዮጵያዊያን ካብ ትግራይ ናብ ሱዳን ሃዲሞም ኣለው ብመሰረት ወሃቢ ቃል ናይ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ባባር ባሎች። ደቂ ኣንስትዮን ህፃውንትን ዝርከቡዎም በብማዕልቱ ልዕሊ 4,000 ስደተኛታት ህወቶም ንምድሓን ናብ ሱዳን ይውሕዝ ከምዘሎብምሕባር ምሉእ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢሙ ስለዘሎግጭት ጠጠው ክብል፣ስቪላት ሓለዋ ክግበረሎምን ማሕበረሰብ ዓለም ድማ ንስደተኛታት ክሕግዝን ፀዊዖም ኣለው። ኩነታት ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ክገለፁ ዝተሓተቱ ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ባባር ባሎች መብዛሕቲኦም ካብ ትግራይ ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብቶም ዝሓለፉ ሸውዓት ማዕልታት ምብራቕ ሱዳን ኣትዮም ኣለውኢሎም።‘’ማዕልታዊዝኣቲ ዘሎ ስደተኛ ኣዚዩ ዝለዓለ እዩ። ኣብ ማዕልቲ ብማእኸላይ ኣስታት 4,000 ስደተኛታት ይኣትው ኣለው’’ ክብሉ ገሊፆም። ሰላም ናብቲ ንቡር ክምለስ ኩሎም ወገናት ኩሉ ተፃብኦ ጠጠው ከብሉዎ ኣለዎ፤ መሰላት ስቪላትሰባት ክኸበርንማሕበረሰብ ዓለም ድማ በብዕለቱ ኣሽሓት ስደተኛታት ትቕበል ንዘላ ሱዳን ክሕግን ኣለዎ ክብሉ መልእክቶም ኣሕሊፎም ወሃቢ ቃል ባባር ባሎች። ምሉእ ድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/daily-4000-ethiopian-refugees-are-fleeing-violinces-to-sudan\/5669039.html"} {"headline":"መግለጺ ዶ\/ር ደብረጽየን ገ\/ሚካኤል ኣብ ህልው ኩነታት ክልል ትግራይ","content":"ዶ\/ር ደብረጽየን ካብ መንግስታት ኢትዮጵያ: ኤርትራን ክልል ኣምሓራን ብተወሳኺ ኣፍሪቃዊ ብዘይኾነ አካል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክልል ትግራይ መጥቓዕቲ ይፍጸም ኣሎ ኢሎም። ብተወሳኺ ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዝተታሕዘ ከተማታት ንጹሃን ወገናት ይቕተሉ ኣለው:ንብረት'ውን ይዝረፍ ኣሎ ኢሎም። እዚ ኣብዚ ጸብጻብ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዓረብ ኢማራት መጥቓዕቲ ተኻይዱ ዝብል ብካልእ ነጻ አካል ክረጋገጽ ከምዘይከአለን ከምኡ'ውን ኤርትራ ኣብቲ ኹናት ትኻፈል ኣላ ንዝብል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ነቲ ክሲ ምንጻጎም ይዝከር። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%8C%BD%E1%8B%A8%E1%8A%95-%E1%8C%88-%E1%88%9A%E1%8A%AB%E1%8A%A4%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%88%8D%E1%8B%8D-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/5668408.html"} {"headline":"ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንከተማ ሽረን ካልኦት ከተማታት ክልል ትግራይን ምቁጽጻሩ ተሓቢሩ","content":"ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሕጊ ንምኽባር ንዝበሎ ወፍሪ ኣብ ዝተፈላለየ ግንባራት ዓወት ንረኽብ ኣለና ክብሉ ሓላፊ ስታፍ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ገሊጾም። እቲ ሰራዊት ነጻ ኣብ ዘውጽኦም ከባቢታት ራያን አላማጣን ኣገልግሎት መብራህቲ: ዝስተ ማይን ቴሌፎንን ጀሚሩ ክብሉ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ገሊጾም። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ብውሳነ ባይቶ ፈደረሽን ናይ ዝተመስረተ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ፈጻሚ ስራሕ ዶ\/ር ሙሉ ነጋ ባይቶ’ቲ ክልልን ካቢነን ዳግማይ ክምስረት’ዩ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%BD%E1%88%AC%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A6%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%8C%BB%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5667828.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ትግራይ 'ምሉእ ሰብኣዊ ቅልውላው' የጋጥም ከምዘሎ ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት ገሊፁ","content":"ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ይካየድ ዘሎ ኣሰቃቒ ኵናት ህወይቶም ከድሕኑ ናብ ሱዳን ይውሕዙ ዘለው ስደተኛታት ልዕሊ 30 ሽሕ በፂሑ ኣሎ ብመሰረት ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት UNHCR።እቶም ስደተኛታት ዝብላዕ ይኹን ዝስተ ከምኡ እውን መፅለልን ሕክምናን ዝብሃል ከምዘይረኽቡ፣ኣደዳ ጥምየትን ዓፀቦን ይኾኑ ከምዘለው ይገልፁ።ዘሕለፉዎ ዝርከቡሉን ኩነታት ኣካፊሎምና ኣለው። ጉዕሽ ወልደምህረት ይብሃል።ብዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ቆልዑትን እዩ።ንሱ ንመዋእሉ ዝነበረላ ከተማ ሑመራ 1 ሕዳር 2013 ዓ\\ም ካብ ዝተፈለለየ ኣንፈት ከቢድ ብረት ኣብ ልዕሊኣ ክዘንብ ምስ ጀመረ ህወቱ ከድሕን ምስ ስድርኡ ናብ ሱዳን ከምዝሃደመ ይገልፅ።ብኣንፈት ደቡብ ካብ ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ብኣንፈት ሰሜን ድማ ካብ ኤርትራ ይውንጨፉ ብዝነበሩ ከበድቲ ብረት ኣብ ሕፅኖት ዝነበረት ሓንቲ መርዓትን ሓንቲ ካልእቲ ጓል ኣንስተይትን ከምዝተቐተላ ይገልፅ።ሽዑ ዝቖሰለ ህፃን እውም ምማቱ ድሕሪ ከምዝሰምዐ ይዛረብ።ኣብ ግዚያዊ መዕቖቢ ስደተኛታት ሓምዳይት ሱዳን ምስ ካልኦት ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ኣብ ፀገም ከምዝርከብ ይሕብር። ምሕረትኣብ ገብረሚካኤል ዝብሃል ስደተኛ እውን ብዛዕባ ብዓይነይ ሪኢዮ ዝበሎ ቅትለትን ኣብ ሱዳን ሰሎ ሽግርን ይዛረብ።ንሱ ኣብ ከባቢ ሑመራ ሓሙሽተ ሰባት ብዕጡቓት ክቕተሉ ከለው ብዓይኑ ከምዝርኣየን ሃዲሙ ናብ ምሸላ ኣትዩ ህይወቱ ከምዘድሓነን ይዛረብ።ኣብ ጊዚያዊ መዕቖቢ ስደተኛታት ሓምዳይት ሰብ ብጥምየት ይጉዳእ ከምዘሎ እውን ይሕብር። ወሃቢ ቃል ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት ባባር ባሎች እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ምሉእ ሰብኣዊ ቅልውላው እዩ ኢሎም ብምፅዋዕ ዋሕዚ ስደተኛታት ማዕልታዊ ካብ ትግራይ 4,000 ስደተኛታት ናብ ሱዳን ይኣቲ ኣይሎ ኢሎም።እዚ ግጭት ብቕልጡ ጠጠው ክብል ፀዊዖም ኣለው። ምሉእ ፀብፃብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/full-scale-humanitarian-crisis-unfolding-in-ethiopia-tigray-unhcr\/5667651.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህወሓት ዝኾነ ይኹን ድርድር ኣይግበርን ኢሉ","content":"ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ መጥቓዕቲ ምፍፃሙ ምእማኑ ንወስዶ ዘለና ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ምኽኑይነት ዘረጋግፅ እዩ ክብል ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ናይ ህወሓት ተግባር ገበን ክሕደት ሃገር እዩ ዝበሉ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ዝኾነ ይኹን ዓይነት ልዝብ ኣይህልን ኢሎም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ኢሉ ብዛዕባ ዝፀውዖ ወታደራዊ ዘመተ መግለፂ ዝሃቡ ወሃቢ ቃል ዋሕዚ ሓበሬታ ህፁፅ ኣዋጅን ምንስቴር ድኤታምንስትሪ ጉዳያት ወፃኢን ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ህወሓት 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ\\ም ዝፍፀሞ መጥቓዕቲ ‘’ቅድም ክብል ክሕደት ሃገር ኢልና ዝፀዋዕናዮ እዚ ተግባር ናይ መንግስቲ ሕጊ ናይ ምኽባር ምንቅስቓስ ምኽኒያታዊ ይገብሮ’’ኢሎም። ኣብ ናይ ትግራይ ክልል ቴሌቪዥን ዝቐረቡ ኣባል ህወሓት ኣቶ ሴኮ ቱሬ ጌታቸው ብዛዕባ እቲ መጥቓዕቲ ክገለፁ ከለው ‘’ንትግራይ ንምጭፍላቕ ብኹሉ ኣንፈት ዝተሓሰበ ውዲት ኣብ ጫፍ ምብፁሑ ብምርዳእ ቕልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ነይሩዎ’’ኢሎም።’’ዳርጋ ኣብ ውሽጢ 45 ደቓይቕ ነቲ እዚ ብምሉእ ንምቁፅፃር ዝተኽኣለሉ እዩ ነይሩ፤ብዘይካ ዝተረፉ ውሱናት’’ክብሉ ብምሳኽ ገሊፆም። ‘’ህዝቢ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ብቐጥታ ኣብ ትሕቲ ሰንሰለት እዚ ዘሎ 30 ሽሕ ሰራዊት ኣርባዕተ መካናይዝድ ክፍለ ሰራዊት ኣብ ዘለዎ ኩነታት ብታሕቲ ኣሃዳዊያን ወረርቲ፣ካብ ላዕሊ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘለዎ፣ኵናት እናተዳለወሉ ኣብዘለሉ ኩነታት ኢዱ ዓፃፂፉዶ ኮፍ ክብል ነይሩዎ?ክብል የብሉን’’ ክብሉ ንምክልኻል ዝተወስደ ስጉምቲ ብምዃኑ ግቡእ ከምዝነበረ እዮም ኣቶ ሶኩቱሬ ወሲኾም ዝገለፁ።። ኣቶ ሴኮ ቱሬ ጌታቸው ሓዊሱ ኣስታት ሓደ ምእቲ ዝኾኑ መሪሕነት ህወሓትን መኮነናት ሰራዊትን ትእዛዝ ማእሰርቲ ዘውፅአ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወታደራዊ ስጉምቲ ጠጠው ዝብል ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ከለው ጥራሕ ምዃኑ ግልፂ ገይሩ ኣሎ።ኣምባሳደር ሬድዋን እውን ነዚ እዮም ዘረድኡ ኣብ መግለፂኦም። ምኽትል ቀዳማይ ምንስቴርን ናይ ወፃኢ ጉዳይ ምንስቴርን ኣቶ ደመቀ መኮነን ኣብ ዩጋንዳን ብሓፈሻ ኣብ ሽዱሽተ ሃገራት እቲ ዞባ ዑደት ይፍፅሙ ዘለው ነዚ መርገፂ እዚ ንምርዳእ ምዃኑ ሓቢሮም ኣምባሳደር ሬድዋን። ‘'እቲ ልኡኽ ጉጅለ ናብተን ሃገራት ዝተጉዓዘ መራሕቲ ጉጅለ ህወሓት ናብ ፍርዲ ክሳብ ዝቐርቡ ዝኾነ ይኹን ኣደራዳሪ ኣይንደልን ዝብል ናይ ቀዳማይ ምንስቴር መልእኽቲ ንምብፃሕ እዩ።ምኽኒያቱ ካብ ተሓታትነት ምምላጥን ንዘይሕጋውነት ዘተባብዕ ዝኾነ ይኹን ሽምግልና ተቐባልነት የብሉን’’ ኢሎም። ትማሊ ሶኑይ ኣብ ከባቢ መቐለ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝነበረ እውን ኣምባሳደር ሬድዋን ኣረጋጊፆም ኣለው።’'ደብዳብ ነፈርቲ ነይሩ።ኣብ መቐለ ከይኮነስ ኣብ ወሰና ወሰን እታ ከተማ እዩ፤እተነ ነፈርቲ ሓያል ድምፂ ስለዘለወን መስቲያት ከንቅዕ ይክእል እዩ’’ ኢሎም።ኣብ ልዕሊ ወታደራዊ ትሕቶታት መሪሕነት ህወሓትን ፍሉይ ሓይልን ተዘይኮይኑ ስቪላዊ ዒላማ ኣይተወቕዐን ኢሎም ብምውሳኽ። ወሃቢ ቃል ሰራዊት ምክልኻል ሜጀር ጀነራል ቅጢላ ቡልቱ እውን እቲ ሰራዊት ስቪል ከይጉዳእ ጥንቃቐ ከምዝገብር ተዛሪቦም ኣለው። ኣብ መቐለ ዝርከብ ወኪል ቪኦኤ ኣብ ውሽጢ ከተማ መቐለ ብዝተፈፀመ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ጉድኣት ምውራዱ ነበርቲ ከምዝገለፅሉ፣ናይ ቅዱስ ጊዮርግስ ተምሃሮ ፈለገ ህይወት ዝነብርሉ ከባቢ ምፍራሱ፣ናይቲ ከባቢ መንበሪ ኣባይቲ ሓደጋ ከምዝወረዶም ብዓይነይ ሪአ ኣልኹ ኢሉምፅብፃብ ይዝከር። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ንምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ድጋፍ ንምሃብ ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ፣ ደሴ፣ ሃዋሳ፣ኣዳማን ሰልፍታት ተኻይዶም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/no-nogtiation-with-tplf-said-the-ethiopian-government\/5666250.html"} {"headline":"ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፒዮ: ንመጥቃዕቲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኮኒኑ","content":"ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፒዮ: ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝገበሮ መጥቃዕቲ ብጽኑዕ ንኹንን ኢሉ። ፖምፒዮ ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ትዊተር መልእኽቲ: ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝገበሮ መጥቃዕትን ነቲ ግጭት ኣህጉራዊ ቅርጺ ከትሕዞ ምፍታኑን ብትሪ ንኹንን ክብል ጠቒሱ። ኣምስዚ ብምትሕሓዝ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ: ህወሓትን ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያን ነቲ ግጭት ከህድኡን ሰላም ክዕቅቡን ንሲቪላት ክሕልዉን ኣተሓሳሲቡ። ኣቐድም ኣቢሉ'ውን ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ: ተመሳሳሊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ምንባሩ ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%88%9B%E1%8B%AD%E1%8A%AD-%E1%8D%96%E1%88%9D%E1%8D%92%E1%8B%AE-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%83%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%AE%E1%8A%92%E1%8A%91\/5666181.html"} {"headline":"ልዕሊ 25 ሽሕ ኢትዮጵያዊያን ናብ ሱዳን ምስዳዶም ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ","content":"ልዕሊ 25 ኢትዮጵያውያን ካብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ግጭት ናብ ሱዳን ከምዝሃደሙ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኣፍሊጡ። እቲ ትካል እቶም ስደተኛታት መብዛሕቲኦም ቆልዕትን ኣንስትን ዝርከብዎም ምዃኖም`ውን ኣፍሊጡ`ሎ። ዝሓለፈ ሰንበት ጥራይ ኣስታት 5,000 ስደተኛታት ናብ ዶብ ሱዳን ከምዝኣተዉ`ውን ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት (UNHCR) ሓቢሩ`ሎ። ረድኤት ይገብርሎም እንተሃለዉ`ኳ እኹል ከምዘይኮነ`ውን ትካላት ረድኤት ይገልጻ`ለዋ። No media source currently available ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ብወገኑ ናብቶም ዝሃድሙ ዘለዉ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ትሃድሙ ዘለኹም ኢትዮጵያውያን ናብ ዓድኹም ክትምለሱን ተቐቢልና ምስ ሕብረተሰብኩም ክነወሃህደኩምን ተቐሪብና ኣለና ኢሉ`ሎ። ቀ\/ሚ ኣቢይ ብትዊተር ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፥ ሃዲምኩም ዘለኹም ንጹሃን ዜጋታት፥ ናብ ሃገርኩም ኣብ ትምለስሉ እዋን ንብረትኩም ክሕሎን ብሰራዊት ምክልኻል ዘድሊ ዘበለ ድጋፍ ክግበረልኩም ምዃኑን ፥ ሰላምኩም ክነውሕስ ምዃናን ቃል ንኣትወልኩም ኢሉ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-25-000-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8B%B3%E1%8B%B6%E1%88%9D-%E1%88%95%E1%89%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5666146.html"} {"headline":"ብሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝምራሕ ልኡኽ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዑደት የካይድ'ሎ","content":"ብምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻእን ደመቀ መኮንን ዝምራሕ ላዕላዋል ልኡኽ ኢትዮጵያ፥ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ወግዓዊ ዑደት ይገብር ኣሎ። ኣቶ ደመቀ ኣብ ኡጋንዳ ምስ ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሰቪኒ ኣብ ኬንያ ድማ ምስ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ተራኺቦም ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ሓሳብ ተለዋዊጦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AD-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%89%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8B%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B5-%E1%88%8E\/5666135.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ንኽብሪ ሰራዊት ምክልኻል ዝተፈላለዩ ሰልፍታትን ምርኢታትን ምክያዶም ተገሊጹ","content":"ንሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዘለዎም ድጋፍን ሓድነትን ዘርእዩ ሰልፍታትን ምርኢታትን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት'ታ ሃገር ክርኣዩ ውዒሎም። ኣብ ክልላት ደቡብን ሲዳማን ብፍላይ ኣብ ከተማ ሃዋሳ: ኣብ ክልል ኣምሓራን ኦሮሚያን ከምኡ'ውን ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ብርክት ዝበላ ከተማታትን ነቲ ሰራዊት ድጋፍ ዝገልጽ ሰልፍታትን መደባትን ምክያዱ ተገሊጹ። እቲ 'ንኽብሪ ሰራዊት ምክልኻል ደው ክብል'የ\" ብዝብል ቴማ ዝካየድ ፕሮግራም፥ የማናይ ኢድ ኣብ ኣፍልብኻ ንሓደ ደቂቕ ድሕሪ ምግባር ብጣቕዒትን ጥሩንባ መካይንን ዝፍጸም'ዩ። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ አገኘሁ ተሸገር ንልኡላውነት ሃገር ንምኽባር ክሳብ ህይወቱ ንዝኸፍል ሰራዊት ምክልኻል ፍሉይ ክብሪ ይግብኦ'ዩ ኢሉ። ኣብ ከተማ ደሴ ድማ ንሰራዊት ምክልኻል ዘለዎም ክብሪ ኣብ ልዕሊ ምግላጽ ደም'ውን ምልጋሶም ካብ ወኪልና ንምፍላጥ ተኻኢሉ'ሎ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ስታድየም ኣበበ ቢቅላ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት መደረ ዘስምዐት ምኽትል ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ኢትዮጵያውያን ኩሉሻዕ ብሓድነት ደው ምስ በሉ'ዮም ኢላ።፡፡ እቲ \"ንክብሪ ሰራዊት ምክልኻል ደው እብል\" ብዝብል ብደረጃ ሃገር ዝተጸውዐን ንሰራዊት ምክልኻል ዝዝክርን መርሃ ግብሪ ኣብ ዙርያ'ታ ሃገር ከም ዝተኻየደ ተፈሊጡ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8A%BD%E1%89%A5%E1%88%AA-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%88%B5%E1%8A%90%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8B%AB%E1%8B%B1-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5666092.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጥረ ውጥረት ብዝምልከት ልዝብ ከምዘይህልው ኣፍሊጡ","content":"ህውሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል መጥቓዕቲ ምፍጻሙ ምእማኑ ንወስዶ ዘለና ሕጊ ናይ ምኽባይ ስጉምቲ ምክንያታዊነቱ ዘረጋግጽ’ዩ ክብል ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ህውሓት ገበን ክህደት ሃገር ፈጺሙ’ዩ ዝኾነ ዓይነት ልዝብ’ውን ኣይክህልውን ኢሎም። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ደመቀ መኮነን’ውን ኣብ ሃገራት’ቲ ከባቢ ነዚ ንምርዳእ ዝዓለመ ዑደት ይገብሩ ኣለው ኢሎም። ሓድሽ ዝተመዘዙ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደመቀ መኮነን መንግስቲ’ታ ሃገር ቀዳምነት ንምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ከምዝህብን ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ውሽጢን ወጻኢን ምሉእ ሓላፍነት ክወስድ’ዩ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%A8-%E1%8B%8D%E1%8C%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8A%BE%E1%8A%90-%E1%88%8D%E1%8B%9D%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%85%E1%88%8D%E1%8B%8D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5664823.html"} {"headline":"ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተፈነወ መጥቓዕቲ ኮኒና","content":"ኣብ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ ህወሓት ብቅድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝፈፀሞ ዘይምኹኑይ መጥቓዕቲን ናይ ክልል ትግራይ ግጭት ዓለምለኻዊ ክኸውንይገብሮ ንዘሎ ፃዕሪን ኣሜሪካ ብትሪ ትኹንኖ ኢሎም። ቲቦር ናዥ ብቲዊተር ኣብ ዝዘርግሕዎ መልእኽቲ ንስቪላት ንምክልኻል፣ወጥሪ ንምህዳእን ሰላም ንምስፋንን ቕልጡፍ ስጉምቲ ክውሰድ ፃውዕትና ይቕፅል ኢሎም። ኣብ ካልእ ናይ ቲዊተር መልእክቶም ኣብ ማይ ካድራ ኣብ ልዕሊ ስቪላት ዝተፈፀመ ጭፍጨፋ ንኹንን ኣብ መላእ ክልል ትግራይ ግጭት ንምህዳእን ጠጠው ንምባል ቕልጡ ስጉምትታት ክውሰዱ ብጥብቂ ንፅውዕ ኢሎም።ሰላም ክምለስን ስቪላት ሓለዋ ክረኽቡን ኣገዳሲ እዩ ኢሎም። ናዥ ወሲኾም ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ዝተፈፀመ ጭፍጨፋ ምርመራ ከካይዱን ተሓተቲ ብሕጊ ናብ ፍትሒ ከቕርቡን ንፅውእ ኢሎም ኣለው ። ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ምሸት ኣብ ከተማታት ባህርዳርን ጎንደርን ብቅድሚ ትማሊ ምሸት ዓርቢ ድማ ኣብ ከተማ ኣስመራ ካብ ክልል ትግራይ ብዝተወንጩፉ ሚሳይላት ከምዝተወቕዓ ይፍለጥ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B2%E1%89%A6%E1%88%AD-%E1%8A%93%E1%8B%A5-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%9E-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%8A%B9%E1%8A%95%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8A%95%E1%8A%B9%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%88%8E%E1%88%9D-\/5664774.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ መቐለ ደብዳብ ነፈርቲ ተኻይዱ","content":"ሎሚ ሶኑይ ረፋድ ኣብ ከተማ መቐለ ደብዳብ ነፈርቲ ተኻይዱ።በቲ ደብዳብ ኣብ ሓደ ሰብ ጉድኣት ከምዝወረደን መንበሪ ኣባይቲ እውን ከምዝፈረሱን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርገሊፆም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%89%A5-%E1%8A%90%E1%8D%88%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/5664755.html"} {"headline":"ጸብጻብ ኣምንስቲ ኣብ ጭፍጨፋ ማይካድራ","content":"ዓለምለኸ ተሓላቒ መሰል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ሓዲሽ ሪፖርት፥ ኣብ ክልል ትግራይ ደቡባዊ ምዕራብ ኣብ ትርከብ ማይ ካድራ ትብሃል ከተማ ብዘስቅቕ ኩነታት ዝተቐተሉ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣስክሬናት ከም ዝረኸበ ኣፍሊጡ። ኣብ ኩናት ዝኾነ ተሳትፎ ንዘይብሎም ንጹሓን ሰባት ምጭፍጫፍ ብገበን ኩናት ዘሕትት ተግባር ምዃኑ'ውን ኣምነስቲ ኣፍሊጡ'ሎ። ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሓሰን ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል እቲ ቕትለት ብህወሓት'ዩ ተፈጺሙ ኢሎም ኣለው:: ኣምንስቲ ኣብ ሪፖርቱ ነቲ ቕትለት ዝፈጸመ አካል እንተዘይጠቀሰዃ ዘዘራረቦም ናይ ዓይኒ መሰካኽር ግን ነቲ ቕትለት ናይ ህወሓት ሰራዊት'ዩ ፈጺምዎ ምባሎም ኣብ ሪፖርቱ ሓቢሩ'ሎ:: መንግስቲ ክልል ትግራይ ነቲ ክስታት ነጺግዎ'ሎ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%B8%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%AD%E1%8D%8D%E1%8C%A8%E1%8D%8B-%E1%88%9B%E1%8B%AD%E1%8A%AB%E1%8B%B5%E1%88%AB\/5660039.html"} {"headline":"መግለጺ መራሒ ክልል ትግራይን ግብረ መልሲ ፈደራል መንግስቲን","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ይካየድ ኣብ ዘሎ ኹናት ልዕሊ 10 ሽሕ ሰራዊት ማሪኽና ክብሉ መራሒ’ቲ ክልል ዶ\/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል ገሊጾም። ንሶም ወሲኾም ካብቶም ዝተማረኹ ኤርትራዊያን ይርከብዎም ኢሎም ኣለው። ዶ\/ር ደብረጽየን ኣብ መግለጺኦም ፈደራል መንግስቲ ህዝቢ ትግራይ ቐረብ ሓይሊ ኤሌትሪክ ከይረኽብ ንመመንጨዊ ሓይሊ ኤሌትሪክ ተኸዘ ብነፋሪት ደብዲቡ ኢሎም። መንግስቲ ኤርትራ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣቢሉ ንሮይተርስ ኣገልግሎት ዜና ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ ቃል ነቲ ክሲ ነጺግዎ። ፈደራል መንግስቲ ኸአ ነቲ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌትሪክ ተደብዲቡ ዝብል ክሲ ብምንጻግ እቲ ግድብ ተሃሪሙ እንተዝኸውን ከቢድ ምዕልቕላቅ መጋጠመ ኔሩ ክብል ምላሽ ሂቡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%92-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2%E1%8A%95\/5660025.html"} {"headline":"ኣብ ትግራይ ይካየድ ንዘሎ ኵናት ብምቅዋም ኣብ ከተማታት ዩናይትድ ስቴትስን ኣውሮፓን ሰልፍታት ይካየዱ ኣለው","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ይካየድ ኣሎ ዝበሉዎ ኵናት ጠጠው ክብል ዝፅውዑ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዩናይትድ ስቴትስን ኣውሮፓን ይካየዱ ኣለው።ትማሊ ሓሙስ ኣብ ከተማታት ኮሎራዶ፣ ሲያትልን በርሊንን ተኻይዱ ሎማዕንቲ ድማ ኣብዚ ኣብ ከተማ ሚኒያፖልስ ሚኒሶታን ኣብ ዘሄግ ሆላንድን ኣብ ምክያድ ይርከብ። ምስ ኣተሓባበርቲ ናይቲ ሰልፊ ወይዘሮ ዙሪያሽ ኣማረ ካብ ክፍለ ግዝኣት ኮሎራዶ ከተማ ደንቨር፣ ኣቶ ኤሊያስ ጎድፋይ ካብ ክፍለ ግዝኣት ዋሽንግተን ከተማ ሲያትልን ዶክተር ግርማይ በርሀ ካብ ጀርመን ከተማ በርሊንን ዝተኻየደ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopian-in-us-and-europe-cities-are-demanding-to-stop-the-war-in-tgiray-region-ethiopia\/5659972.html"} {"headline":"ሴነተር ጂም ሪሽ:ኣብ ኢትዮጵያ ኩሎም ወገናት ንተጻብኦ ኣቋሪጾም፣  ልዝብ ንክጅምሩ ጸዊዖም","content":"ኣሜሪካዊ ሴነተር ጂም ሪሽ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ውግእ ዝኣተው ኩሎም ወገናት፣ ንተጻብኦ ኣቋሪጾም፣ ልዝብ ንክጅምሩ ጸዊዖም። ኣባል ኮሚቴ ወጻኢ ጉዳያት ሴነት ኣሜሪካ ሚስተር ሪሽ ኣብ ዝዘርግሕዎ መግለጺ\"ኢትዮጵያ ናብ ውግእ ሕድ ሕድ ትጥሕለሉ ዕድል ጋህዲ እዩ፣ ንዞባዊ ህድኣት ቀጥታዊ ስግኣት’ውን እዩ፣ ልዕሊ ኩሉ ግና፣ ንድሕነት ህዝቢ ኢትዮጵያን ዴሞክራሲያዊ ስግግር’ታ ሃገርን ኮይኑ ኣሎ’ ኢሎም። ኣሜሪካን ማሕበረ ሰብ ዓለምን፣ ኩሎም ወገናት ናብ ልዝብ ንክኣትው ክደፍኡ፣ ድሕነት ሰላማዊያን ሰባት ክረጋገጽ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ህዝቢ ክቀርብ፣ ኣገልግሎት ኢንተርኔትን ቴለፎንን ክምለስን ብልዝብ ሰላማዊ ፍታሕ ክርከብን አተሓሳሲቦም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B4%E1%8A%90%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8C%82%E1%88%9D-%E1%88%AA%E1%88%BD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A9%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8B%88%E1%8C%88%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%8C%BB%E1%89%A5%E1%8A%A6-%E1%8A%A3%E1%89%8B%E1%88%AA%E1%8C%BE%E1%88%9D-%E1%88%8D%E1%8B%9D%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%8C%85%E1%88%9D%E1%88%A9-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%96%E1%88%9D\/5659971.html"} {"headline":"ኣማኸርቲ ሕ\/ሃ  ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ኹናት ሻቅሎተን ገሊጸን","content":"ፍልይቲ ኣማኻሪት ሕቡራት ሃገራት ምክልኻል ጅምላዊ ህልቂት ከምኡውን ፍልይቲ ኣማኻሪት ሕ\/ሃ ንምኽልካል ህልቂት ንፕራሚላ ፓተንን ኬረን ስሚስን በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ውጥረትን ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኹናትን ዓሚቅ ሻቅሎት ከምዝሓደረን ገሊጸን። ፕራሚላ ፓተንን ኬረን ስሚስን ብሓባር ኣብ ዘውጸአኦ መግለጺ ‘ሃይማኖታዊን ዓሌታዊን ዘረባ ጽልኣት ዝሕብሩ ሪፖርታት ከምዝበጽሐን፣ ንዓመጽ ምልዕዓላት፣ ከበድቲ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ብሃውሪ ምእሳር፣ ምቅታል፣ ምፍንቃልን ዕንወት ንብረትን ኣብ መላእ እታ ሃገር ከምዝተፈጸመን ጠቂሰን። ንሳተን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ብዓሌቶምን ሃይማኖቶምን ዝፍጸሙ መጥቃዕታት ብብርቱዕ ዝኹነኑ እዮም ኢለን። እተን ፍሉያት ኣማኸርቲ ሕ\/ሃ ወሲኸን፣ አብ’ዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ዓሌታዊ ጽልኣትን መጥቃዕቲን ሰማይ ዓሪጎም ኣለው። ኣብ ልዕሊ ተጋሩ፣ ኣምሓሩ፣ ሶማሌን ኦሮሞን ዝቀንዐ ጽልኣትን መድልዎን፣ ኣብ’ታ ሃገር ዓሌታዊ ዘይምክእኣል ፈጢሩ ኣሎ ይብላ። እዚ ክስተት’ዚ፣ ንሃገራዊን ዞባዊን ህውከት ኣበርክቶ ይገብር ስለዘሎ፣ ብቅጽበት ደው ክብልን ናብ ዝኸፍአ ጸገም ቅድሚ ምዕራጉ ፍታሕ ንክግበረሉን’ ጸዊዔን ። ምስዚ ብዝተሓሓዝ ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ብወገኑ፣ ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ይካየድ ዘሎ ኹናት፣ ድሕነት ቆልዑ ከምዘስግኦ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። እቲ ትካል ወሲኹ፣ ኣብ’ቲ ውግእ ዝሳተፉ ኩሎም ወገናት፣ ንዓለም ለኸ ሕጊ ንክኽተሉን፣ ንህጻናት ክኸታተሉን’ ጸዊዑ። ኩሎም ወገናት፣ ዓለምለኻዊ ትካላት ናብ’ቲ ከባቢ ብዘይገደብ ንክበጽሑ ከሐግዙን ናብ ሰላማዊያን ሰባትን ናብ ቆልዑን መሰረታዊ ቀረባት ንከባጽሑን ኣዘኻኺሩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9B%E1%8A%B8%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%89%A5%E1%8B%9B%E1%8B%95%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%8A%A0-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8A%B9%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%88%BB%E1%89%85%E1%88%8E%E1%89%B0%E1%8A%95-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B8%E1%8A%95\/5659962.html"} {"headline":"መልእኽቲ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኹናት ክልል ትግራይ","content":"ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕ\/ሃ ሚሸል ባችለት ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝሃብኦ መግለጺ ‘ነቲ ብናህሪ የንቆልቁል አሎ ዝበለኦ ኩነተ ክልል ትግራይ’ ከምዘተሓሳሰበን ጠቂሰን። ንሰን \"ሰራዊት ክልል ትግራይን ሰራዊት ፌደራል መንግስቲን፣ ነቲ ዝጀመርዎ ውግእ እንተቀጺሎም፣ ኩነታት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ክኸውን እዩ፣ ከቢድ ሞትን ጥፍኣት ንብረትን፣ ከምኡውን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያን ዶብ ሰገርን ምፍንቃልን ስደትን ክውስኽ እዩ\"ኢለን። ጠንቂ እቲ ኣብ ማይካድራ ተፈጺሙ ዝባሃል ጅምላዊ ቅትለት ንጹር ሓበሬታ ኣይተረኸበን ዝበላ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕ\/ሃ ሙሉእ መስርሕ ምጽራይ ንክካየድ ጸዊዔን። እቲ መጥቃዕቲ፣ ኣብ’ቲ ውግእ ይሳተፉ ብዘለው ወገናት ኮነ ተባሂሉ ተፈጺሙ እንተኾይኑ ፣ ብገበን ኩናት ዘሕትት ከምዝኾነ ገሊጸን። ናብ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዘሕለፈኦ መልእኽቲ ‘ኣብ ከምዚ ዝዓይነቱ ውግእ ተዓዋቲ ኣይህሉን፣ ስለዚ ከይደንጎዩ ንኣፈላላዮም ብልዝብ ንክፈትሑ’ ኣዘኻኪረን። ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕ\/ሃ ሚሸል ባችለት ክቅጽል ዝኽእል ኲናት፣ ንትግራይን ኢትዮጵያን ኣዕናዊ ውጽኢት ከስዕበለንን፣ ዓመታት ንዝተመዝገቡ ምዕባለታት ንድሕሪት ከምዝመልስን’ውን ጠቂሰን። ካብኡ ዝኸፍአ ኢለን ሚሸል ባችለት ‘እቲ ህውከት ናብ ጎረባብቲ ክልሕኹን ንመላእ እቲ ዞባ ክዘርግን ይኽእል እዩ’ ከምዝበላ ዝመጸ ዜና ሓቢሩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%89%B2-%E1%8A%AE%E1%88%9D%E1%88%BD%E1%8A%90%E1%88%AD-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%89%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%B9%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/5659943.html"} {"headline":"ላዕላዋይ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ፕረዚደንት ሉአላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ቀ\/ሚ ዓብደላ ሃምዶክን ተራኺቦም:ተዘራሪቦም","content":"ላዕላዋይ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ፕረዚደንት ሉአላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ዓብዱልፈታሕ ኣል ብርሓን ቀ\/ሚ ዓብደላ ሃምዶክን ኣብ ካርቱም ተራኺቦም:ተዘራሪቦም ::። ብሚንስተር ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ልኡኽ ትማሊ ኣብ ካርቱም ምስ መራሕቲ ሱዳን ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘብጽሐ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ክልቲኣውን ዞባዊን ጉዳያት ምዝርራቡ'ውን ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ'ሎ። እቲ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ዓብደላ ሓምዶክ'ውን ዝተዘራረበ ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ፡ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ሓዲሽ ምዕባለታት'ውን ሓሳባት ከምዝተለዋወጡ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ። ሱዳን ናይ'ዚ እዋን'ዚ ኣደ መንበር ኢጋድ'ያ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%8B%E1%8B%8B%E1%8B%AD-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%88%89%E1%8A%A0%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8B%93%E1%89%A5%E1%8B%B0%E1%88%8B-%E1%88%83%E1%88%9D%E1%8B%B6%E1%8A%AD%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/5658572.html"} {"headline":"ሕቶ ናይ ትግራይ መንነትን ኣምላሲ መሬትን ማሕበርን ግብረ መልሲ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ","content":"ናብ ካልእ ግዝኣታት ዝተኸለሉ መሬትን መንነትን ትግራይ ንምምላስ ዝዓለመ ኣኼባ በቲ ነዚ ዕላማ ዝቖመ ኮሚቴ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ ነይሩ።እዚ ኮሚቴ ብደረጃ ንኡስ ኮሚቴታት ኣኼባ ክገብር ዝፀንሐ'ኳ እንተኾነ እዚ ዳሕረዋይ ግን ህዝባዊ ኣኼባ ምንባሩ ተገሊፁ ኣሎ። ክልላዊ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ናይ ትግራይ መንነትን ኣምላሲ መሬትን ማሕበር ክሳብ ዳባት ዝበፅሕ ናይ ወሰንን መንነትን ሕቶታት ኣለና ምባሉ ህወሓት ኣብ ውሽጢ ሕልሚ ዘሎ ጉጅለ ምዃኑ መርኣያ እዩ ክብል ነፂጉዎ'ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95%E1%89%B6-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%B2-%E1%88%98%E1%88%AC%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-\/5658561.html"} {"headline":"ሓደጋ ውግእ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ክልል ትግራይን","content":"ውግእ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ህወሓትን ካልኣይ ሰሙን ሒዙ ኣሎ። ብሰንኪ’ቲ ግጭት ኣስታት 8000 ኢትዮጵያዊያን ዶብ ሰጊሮም ኣብ ሱዳን ኣትዮም ኣለው፣ ትካላት ረድኤት ብወገነን ኣብዘን ዝቅጽላ መዓልታት ተወሰኽቲ ስደተኛታት ይጽበያ ኣለዋ። ዳይረክተር ፕሮግራም ዓለምለኸ ቅልውላው (International Crisis Group) ኮምፎርት ኢሮ \"ኣብዚ እዋን’ዚ ንሪኦ ዘለና ተወሳኺ ውግኣት እዩ። ክልቲኦም ሓይልታት ዕርዶም እዮም ዘሐይሉ ዘለው። ሰራዊት ክልል ትግራይ ዋላ’ውን እንተተደፍአን እንተሳሓበን፣ ናብ ውግእ መኸተን፣ ውግእ ጉሪላን እዩ ዝሰግር። ተጋሩ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር አዲስ አበባ ዝኣትውሉ ኩነታት ኣይራኣየናን። ዝተናወሐ ውግእ ከምዝህሉ እዩ ገምጋምና’ ኢላ። አብቲ ውግእ ዝካየደሉ ከባቢታት ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ዝርከብ ሓበሬታ ዝተወሰነ እዩ። መንግስቲ ንኢንተርኔት ካብ ረቡዕ ጀሚሩ ስለዘቋረጸ፣ ኩነታት ሰብኣዊ ጠለባት ንምግምጋም ኣይተካእለን። ቶማስ መርፍይ፣ ኣብ ሪስክ አድቫይሰርይ ግሩፕ ተንታኒ ስለያዊ ምዕባለታት ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃ እዩ። ንሱ \"መንግስቲ ንተዋጋእቲ ትግራይ ዘይምስዓሩ፣ ንኢትዮጵያ ተወሳኺ ጸገም ክፈጥር’ዩ’ ድሕሪ ምባል\"ሰራዊት መንግስቲ ንህወሓት ክስዕር እንተዘይኪኢሉ፣ ዕልዋ መንግስቲ ናይ ምፍጻም ዕድል ኣብ ቦትኡ እዩ ዘሎ። ካብ’ቶም ምስ ህወሓት ምትእስሳር ዘለዎምን ጸለውቲ ዝነበሩን ኣባላት ሰራዊት እዩ ዕልዋ ክፍጸም ዝኽእል\"ኢሉ። ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ውግእ ኣብ ክልል ትግራይ ዝዛዘም፣ ሰሜናዊ ክፋል’ታ ሃገር ናጻ ድሕሪ ምውጽኡን ሓድሽ ምምሕዳር ምስ ዝትከለሉን ጥራሕ እዩ ምባሉ ይዝከር። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B-%E1%8B%8D%E1%8C%8D%E1%8A%A5-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-\/5658551.html"} {"headline":"ተንተንቲ: ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘይምርግጋእ ነቲ ዞባ ከይጸልው የስግእ ይብሉ","content":"ንዓመታት ብዓሌታዊ ዘይምስምማዓት ክትሳቀ፟ ዝፀንሐት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ሰራዊት ክልል ትግራይን ዝተላዕለ ዂናት ምናልባት ናብ ዘይምለሰሉ ኩነታት ዘምርሕ ዘሎ ይመስል ክብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ ስጋኣቶም ይዛረቡ ። ኣብ ኦስሎ ዩንቨርሲቲ Bjorkens ሰላምን ኣተኣላልያ ጎንፅን ፕሮፌሰር kjetil Tronvoll “ኣብ ዱርኩኺት ውግእ ሕድሕድ ንርከብ ኣይኮንናን ንብል ዘለና ኢትዮጵያ ኣብ ማእከል ኲናት ሕድሕድ ኣላ ኢና ንብል ዘለና “ ይብል ። ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ይካየድ ብዘሎ ጎንፂ ብኣማኢት ዝቁ፟ፀሩ ሰባት ምሟቶምን ብሰንኪ እቲ ቅልውላው ኣገልግሎት ኢንተርኔት ብምቁራፁ ወሃብቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ኩነታት ንምርዳእ ኣፀጋሚ ከምዝኾኖምን ተንተንቲ ይዛረቡ ። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት(UNHCR) ብወገኑ፥ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩናት ካብታ ሃገር ዝሃድሙን ዘስዕቦ ሰብኣዊ ቅልውላውን ከም ዘሻቕሎ ሓቢሩ'ዩ። ካብ ግዝኣት ማሳቹሰትስ ዝተወከለት ኣባል ባይቶ ኣሜሪካ ኣያና ፕረስሊ ብወገና ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ክልል ትግራይ ዘለዉ ሰበስልጣንን ዝንህር ዘሎ ግጭት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ቀቲሉ'ሎ ብምባል ንምቁራጽ ተኹሲ ክልቲኦም ወገናት ንዝግበር ጻውዒት ከምእትድግፍን ሓይሊ ኤለክትሪክን መራኸብን ናብ ዝነበሮ ክምለስን ጸዊዓ። ንሳ ኣስዒባ ዝተናውሐ ግጭት ንኢትዮጵያን ኣብቲ ዞባን ዘይምርግጋእ ከስዕብ ይኽእል'ዩ ዝብል ስኽፍትኣ ገሊጻ'ላ። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ፥ መራሕቲ ህወሓት ናብ ፍርዲ ከይቀረቡ እቲ ወተሃደራዊ ስጉምቱ ደው ከምዘይብል ትማሊ 'ውን ዳግማይ ኣፍሊጡ'ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%8A%95%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%8A%A0-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%8C%8B%E1%8A%A5-%E1%8A%90%E1%89%B2-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%8A%A8%E1%8B%AD%E1%8C%B8%E1%88%8D%E1%8B%8D-%E1%8B%A8%E1%88%B5%E1%8C%8D%E1%8A%A5-%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%89\/5658535.html"} {"headline":"ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኢትዮጵያ ንሰራዊት ምክልኻል ዝድግፍን ንመጥቃዕቲ ህወሓት ዝኹንን ሰልፍታት ተካይዱ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ንሰራዊት ምክልኻል ዝድግፍን ንመጥቃዕቲ ህወሓት ዝኹንን ሰለማዊ ሰልፍታት ክካየድ ውዒሉ። ኣብ ክልል ሶማሌ ኣብ 11 ዞናትን ኣብ ሽዱሽቲኣን ን ከተማታትን፥ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰሜናዊ እዚ ንዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ዝኹንን ሰልፍታት ተኻይዱ። ህወሓት ካብ ኩሎም ብሄረሰባት ብዝተፈለየ ኣብ ልዕሊ ሶማሌ ግፍዒ ፈጺሙ'ዩ ዝበሉ መራሕቲ'ቲ ክልል ፥ ሕጂ ግን ንኣመራርሓ ህወሓት ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ዝጀመርናዮ ስራሕ ክንደፍኣሉ ኢና ኢሎም። ኣብ ምብራቕ ሃረርጌ'ውን ተመሳሳሊ ሰልፍታት ዝትኻየደ ክኸውን ከሎ ልዕሊ 150 ከብቲ ንሰራዊት ምክልኻል ኣበርኪቶም ምብርካቶም'ውን ተገሊጹ። ተመሳሳሊ ሰልፍታት`ውን ኣብ ክልላት ኦሮሚያ ክልል ሲዳማን ኣብ ክልል ዓፋርን ኣብ ዝርከባ ከተማታት ናይ ድጋፍ ሰልፍታት ምክያዱ ካብ ወኪላት ድምጺ ኣሜሪካ ንምፍላጥ ተኻኢሉ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%8B%B5%E1%8C%8D%E1%8D%8D%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%83%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8A%B9%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/5658462.html"} {"headline":"'ምዕራባዊ ክፋል ክልል ትግራይ ናጻ ወጺኡ'ሎ'ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ","content":"ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ምዕራብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ክልል ከም ዝተዓወተ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጡ። ብመሰረት ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣብቲ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ከይህውኽ ተሰጊኡ ዘሎ ኩናት፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ጭፍጨፋ ብምፍጻም`ውን ከሲስዎም ኣሎ። ምዕራባዊ ክፋል ክልል ትግራይ ናጻ ወጺኡ'ሎ ዝበለ ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ፥ እቲ ሰራዊት ሰብኣዊ ኣገልግሎት'ውን ይህብ ኣሎ ኢሉ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ንሽራሮ ክቆጻጸር ከሎ፥ ኢዶምን እግሮምን ተኣሲሮም ዝተረሸኑ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ከምዝረኸቡ'ውን ገሊጹ'ሎ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%8A%AD%E1%8D%8B%E1%88%8D-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%93%E1%8C%BB-%E1%8B%88%E1%8C%BA%E1%8A%A1-%E1%88%8E-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A2%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5\/5658448.html"} {"headline":"መንግስቲ ክልል ትግራይ መምርሒ ‘ህጹጽ ጊዜ ኣዋጅ’ ተግቢሩ","content":"መንግስቲ ክልል ትግራይ እቲ ካብ ባሕቲ ሕዳር ጀሚሩ ዝትግበር ኣዋጅ፣ ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ንዝተኣወጀ ኩናት ንምምካት ዝዓለመ እዩ ኢሉ ። ትሕዝቶ እቲ ኣዋጅ ብኮማንድ ፖስት ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከምዝትግበር’ውን እቲ መምርሒ ይሕብር። እቲ መግለጺ\"መንግስቲ ኣብ ስራሕ ዘለዉ ስሩዕ ሕግታት ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ልኡላዊ ግዝኣትናን ንዘጋጠመ ወራር ኮነ ሓደጋ ህልውናን ድሕንነትን ክሕሉን ክቆፃፀርን ከቢድ ብምዃኑ እዮ\" ይብል ። እቲ ድንጋገ ህፁፅ እዋን \"ገበን ኣንፃር ህልውናን ድሕንነት ህዝብን ወይ ልኡላውነትን ማለት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፣ መንግስቲ፣ ውድብ ፖለቲካ ትግራይ፣ መንግስታዊ ወይ ውልቀ ትካል ገበን ራዕዲ፣ ስለላ፣ምፍራስ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ትግራይ፣ ዝተወደበ ገበን ክትራን ኮነ ካልእ፣ ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት ብዝኾነ ሰብ (ዜግነቱ ኮነ ዝመፀሉ ከባቢ ብዘየገድስ) ዝፍፀም ገበን ዘካትት ኮይኑ ተወሰኽቲ ዝርዝራት ገበን ዝምልከት ብኮማነድ ፖስት መኸተ መመርሒ ከምዝወጸሉ’ውን ይጠቅስ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%92-%E1%88%85%E1%8C%B9%E1%8C%BD-%E1%8C%8A%E1%8B%9C-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%8C%85-%E1%89%B0%E1%8C%8D%E1%89%A2%E1%88%A9-\/5658110.html"} {"headline":"'ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝኾነ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ደገፍ ከይደለየ “ጉጅለ ጥፍኣት ህውሓት” ንዝበልዎ ንምድምሳስ ዓቕሚ ኣለዎ' ሚ\/ምክልኻል","content":"ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝኾነ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ደገፍ ከይደለየ “ጉጅለ ጥፍኣት ህውሓት” ንዝበልዎ ንምድምሳስ ዓቕሚ ኣለዎ ክብሉ ሚንስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዶ\/ር ቀንዓ ያደታ ሓቢሮም። ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኸአ ዒላማታት ህውሓት ንዝበልዎ መጥቓዕቲ ብምክያድ ካብ ጥቅሚ ወጻኢ ጌርና ኢሉ'ሎ። ብካልእ ዜና መንግስቲ ኢትዮጵያ 17 ጀነራላትን መኮንንናትን ሰራዊት ኢትዮጵያ መራከቢ ብምብታኽ ንህውሓት ንሰሜን እዝ ንኸጥቕዕ ምቹእ ኩነታት ፈጢሮም ብዝብል ከምዝኣሰረ ገሊጹ’ሎ። ካልኦት ክልላት’ውን ከምኡ ኣባልት 'ኦነግ ሸኔን ህውሓትን’ዮም' ዝበልዎም ከምዝኣሰሩ ይገልጹ ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%8A%BE%E1%8A%90-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%8B%B0%E1%8C%88%E1%8D%8D-%E1%8A%A8%E1%8B%AD%E1%8B%B0%E1%88%88%E1%8B%A8-%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%8C%A5%E1%8D%8D%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%8D%E1%8B%8E-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%88%B3%E1%88%B5-%E1%8B%93%E1%89%95%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8E-%E1%88%9A-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-\/5657048.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: 17 ወታሃደራዊ ሰበ ስልጣን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታዎም ተሓቢሩ","content":"ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ፀላኢ ክጥቀመሎም ሓሲቡ ዝበሎም ዒላማታት ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ከምዝገበረ ገሊፁ። ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሜጀር ጀነራል ይልማ መርዳሳ ነፈርቲ ውግእ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ መዋህለሊ ነዳዲ ፣ ናይ ኣፅዋር መኽዘናትን ካልኦት ዝተመረፁ ዒላማታትን ምዕናወን ሓቢሮም። ናይ መራኸቢ ኣገባብ ብምቁራፅ ን ሰሜን እዚ ሃሪሞም ዝተባህሉ 17 ጀነራላትን መኮነናትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ኮሚሽን ፌደራል ፖሊስ ኣፍሊጡ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ናይ ኢትዮጵያ ምኽትል ቀዳማይ ሚንስተርን ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን ንእዋናዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብዝምልከትምስ ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ ብስልኪ ከምዝተዘራረቡ ዝበፀሐና ዜና ሓቢሩ። ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን ወታሃደራዊ ዓቕሚ ህወሓት ክጠፍእ ከሎ፣ መጥቓዕቲ ዝተፈፀሞም ኣባላት ሰራዊት ነፃ ክወፁ ከለውን ኣብቲ ክልል ልዕልነት ሕጊ ክረጋገፅ ከሎን እቲ ወታሃደራዊ ወፍሪ ጠጠው ከምዝብል ን ቲቦር ናዥ ምግላጾም’ውን ተሓቢሩ’ሎ። ኣብ ሚንስትሪጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ ናይ ኢትዮጵያ ሰላም ኣብቲ ዞባ ሰላም ንምርግጋፅ ወሳኒ ምዃኑ ገሊፆም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-17-%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%89%90%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5657002.html"} {"headline":"' ንዳንሻን ሑመራን ምሉእ ንምሉእ ተቖጻጺርና ኣለና' ኣዛዚ ሰሜን እዚ ጀነራል በላይ ስዩም","content":"ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፥ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ልዕልና ሕጊ ናይ ምኽባር ወተሃደራዊ ስርሒት ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ክዛዘም'ዩ ኢሉ። ብኻልእ ወገን ወተሃደራዊ ሓይሊ'ታ ሃገር ንከተማ ሑመራ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር ከም ዘእተወ ኣፍሊጡ'ሎ። መራሒ ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣቢይ ሎሚ ኣብ ዝለኣኾ ናይ ትዊተር መልእኽቲ፥ እቲ ወተሃደራዊ ስርሒት በቲ ዝተለምናዮ መንገዲ ይቕጽል ኣሎ ኢሉ። ኣስዒቡ፥ ተሓቢኦም ዘለዉ ገበነኛታት ምስ ተታሕዙን ሕጋዊ ምምሕዳር ምስ ተተኽለን'ዩ እቲ ወፍሪ ደው ዝብል ኢሉ'ሎ። ብሕጊ ዝድለዩ ገበነኛታት ናብ ፍትሒ ክቐርቡ'ዮም ዝበለ ቀ|ሚ ኣቢይ ኣሕመድ፥ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዘለዉ ጁንታ ዕጥቆም ምስ ፈትሑን፥ ተቐባልነት ዘለዎ ሕጋዊ ምምሕዳር ምስ ተመስረተን እቲ ወፍሪ ክዛዛም'ዩ ኢሉ። ናብቲ ቦታ ተጓዕዙ ዝነበረ ሌ\/ጀነራል ባጫ ደበሌ ድማ ህ​ወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲን ኣፈጻጽምኡን ታሪኽ ይቕረታ ዘይብሎ'ዩ ኢሉ። \"ንዝተሰውኡ ኣባላት ምክልኻል፡ ክዳኖም ገፊፎም ጥርሖም ኣውጺኦም ኣብ ጸሓይ ሰጢሖሞም ክሳብ ሎሚ ረስኦም ኣይተቐብረን ቀለብ ኣሞራን ዝብእን ኮይኑ'ሎ\"ኢሉ። ብኻልእ ወገን ናይ ሰሜን ወተሃደራዊ እዚ፥ ምስ ማእከል ዝህልዎ ናይ መራኸቢ መርበብ ከም ዝቋረጽ ብምግባር ብጉጅለ ጥፍኣት መጥቃዕቲ ንኽፍጸም ዘመቻችዉ ዝነበሩ ዝተባህሉ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ኣብ ትሕቲ ቁፅጽር ከም ዝኣተዉ ኮሚሽን ፈደራል ፖሊስ ኣፍሊጡ። በቲ ተግባር ድማ ዝተጠርጠረ መጀር ጀነራል ገብረመድህን ፍቓዱ (ወዲ ነጮ )ምስ ተሓባበርቱ ኣብ ትሕቲ ቁፅጽር ምእታዎም'ውን ወሲኹ ሓቢሩ'ሎ-ከም ሓበረታ ኣገልግሎት ዜና ፋና። ሎሚ ንጋዜጠኛታት ወጻኢ መግለጺ ዝሃበ ኣምባሳደር ረድዋን ሁሴን ብወገኑ፥ ቀይሕ መስመር ምስጋርን ይቕረታ ዘይግበረሉን ተግባር ንሰራዊት ምክልኻል ምጥቃዕ'ዩ ኢሉ። ኣተሓሒዙ እዚ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝውዳእ'ዩ ዕላምኡ'ውን ግልጺ'ዩ፡ ሰለማዊ ህዝቢ ንኸይጉዳእ ድማ ዝክኣሎ ክገብር'ዩ ኢሉ። ኣዛዚ ሰሜን እዚ ጀነራል በላይ ስዩም ብወገኑ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ሕወሓት ከቢድ ክሳራ ብምውራድ ንዳንሻን ሑመራን ምሉእ ንምሉእ ተቖጻጺርና ኣለና ኢሉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5655763.html"} {"headline":"ኤርትራ: ብክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝቐረበ 'ወራር ፈጺሙ' ዝብል ክሲ ትነጽግ","content":"ኤርትራ ብክልላዊ መንግስቲ ትግራይ -‘መንግስቲ ኤርትራ ብግንባር ባድመ ሎሚ ሰሉስ ወራር ፈጺሙ’ ንዝብል ዝተዋሃበ መግለጺ ነጺጋቶ ። መንግስቲ ኤርትራ: ብመንገዲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ‘እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ውግእ፣ ውሽጣዊ ጉዳይ ስለዝኾነ፣ ኤርትራ ኣካል እቲ ግጭት ኣይኮነትን’ ክትብል እያ ነጺጋቶ ክብል ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ኣቐዲሙ ‘መንግስቲ ኤርትራ ብግንባር ባድመ ሎሚ ሰሉስ ወራር ፈጺሙ’ ክብል መንግስቲ ክልል ትግራይ ከሲሱ ነይሩ። መራሒ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ\/ር ደብረጽየን ገ\/ሚካኤል ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ‘ብሰራዊት ፌደራልን ክልል ኣምሓራን ዝተፈጸመ ወራር፣ ኣብ ንምክተሉ እዋን፣ መንግስቲ ኤርትራ ንክልቲኦም ሓይልታት ንምሕጋዝ ኢሉ ብድሕሪት ወጊኡና’ ኢሎም ከሲሶም ነይሮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%A5%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%88%A8%E1%89%A0-%E1%8B%88%E1%88%AB%E1%88%AD-%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%99-%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%AD%E1%88%B2-%E1%89%B5%E1%8A%90%E1%8C%BD%E1%8C%8D\/5655700.html"} {"headline":"መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ግንባር ባድመ ወሪሩና ይብሉ መራሒ ክልል ትግራይ","content":"‘መንግስቲ ኤርትራ ብግንባር ባድመ ሎሚ ሰሉስ ወራር ከምዝፈጸመ’ መንግስቲ ክልል ትግራይ ገሊጹ። መራሒ’ቲ ክልላዊ መንግስቲ ዶ\/ር ደብረጽየን ገ\/ሚካኤል ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለጽ ‘ብሰራዊት ፌደራልን ክልል ኣምሓራን ዝተፈጸመ ወራር፣ ኣብ ንምክተሉ እዋን፣ መንግስቲ ኤርትራ ንክልቲኦም ሓይልታት ንምሕጋዝ ኢሉ ብድሕሪት ወጊኡና’ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%8D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%89%A3%E1%8B%B5%E1%88%98-%E1%8B%88%E1%88%AA%E1%88%A9%E1%8A%93-%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%92-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-\/5656684.html"} {"headline":"ክልተ ሴነተራት ኣሜሪካ  ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወለዐ ውግእ ከምዘሻቕሎም ገሊጾም","content":"ኣሜሪካዊያን ኣባላት ሴነት ብዛዕባ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወለዐ ውግእ ሻቅሎቶም ገሊጾም። ብመሰረት’ዚ፣ ሴነተር ኢልዛቤት ዋረን ‘በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ውግእ ተሻቂለ ኣለኹ። መራሕቲ፣ ነቲ ውግእ ብቅጽበት ደው ከብልዎ ይግባእ። ሰብኣዊ ሓገዛት’ውን ናብ ክልል ትግራይ ንክኣቱን ከኽእሉ፣ ኩሉ ሓቆፍ ልዝብ ብምክያድ፣ ንመሰል ኩሎም ዜጋታት ዘረጋግጽ ነጻን ርትዓዊን ምርጫንከካይዱ’ ጸዊዔን። ሴነተር ባብ መመንደዝ ብወገኖም ‘ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ክልል ትግራይን፣ ንቅጽበታዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ክትግብሩ ምስ ዝጽውዕ ድምጺ ማሕበረ ሰብ ዓለም ተጸምቢረ ኣለኹ’ ኢሎም። ኣባል ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ሴነት ኣሜሪካ ዝኾኑ ሴነተር መነንደዝ ወሲኾም ‘ክልቲኦም ሓይልታት ኣብ ክልል ትግራይ ዝኸፈትዎ ውግእ ዓሚቅ ሻቅሎት ዝፈጠረን፣ ከቢድ ሰብኣዊ ጥፍኣትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣለዎን ይብሉ። ዝተናወሐ ውግእ፣ ነቲ ዛጊት ዘይተረረ ዴሞክራሲያዊ ሽግግር ኢትዮጵያ ዘልምስ፣ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ሰላምን ህድኣትን ዝኸልእን ከምዝኾነ’ውን ጠቂሶም። ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ውግእን ህድኣት ዘይምህላውን፣ ኣብ መላእ’ቲ ዞባ ጽልዋ ዘሕድር ስለዝኾነ፣ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ህውከት ኣቋሪጾም ፖለቲካዊ ኣፈላላዮም ብሰላማዊን ኩሉ ሓቆፍን ልዝብ ንክፈትሑ ሴነተር ሜነንደዝ ጸዊዖም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%B4%E1%8A%90%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8B%90-%E1%8B%8D%E1%8C%8D%E1%8A%A5-%E1%88%BB%E1%89%85%E1%88%8E%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D-\/5655753.html"} {"headline":"አቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ውግእ ደው ንክብል ጸዊዖም","content":"አቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሃመት ትማሊ ኣብ ዝዘርግሕዎ መግለጺ ‘ኣብ ኢትዮጵያ ይጓሃሃር ብዛዕባ ዘሎ ወታሃደራዊ ረጽሚ ብዘለዎም ሻቅሎት’ ገሊጾም። እቶም ኣቦ መንበር ኣብ መግለጺኦም ‘ንሕገ መንግስታዊ ስርዓት፣ ግዝኣት፣ ሓድነትን ሉኣላዊነትን ፌደራላዊት ዴሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ ከምዝግደሱን፣ ህድኣት ኢትዮጵያን እቲ ዞባን ክረጋገጽ' ጸዊዖም። ብመንጽር’ዚ ይብሉ ንሶም ‘ውግእ ብህጹጽ ደው ክብል፣ ኩሎም ወገናት ንምርግጋጽ ሰብኣዊ መሰላትን ድሕነት ሰላማዊያን ሰባትን ክሰርሑን’ ጸዊዖም። ኩሎም ወገናት ስለ ረብሓ’ታ ሃገር ኢሎም ‘ኣብ ሃናጺ ጽምዶ ንክኣትው’ውን’ ተማሕጺኖም። ንሰላምን ህድኣትን ኢትዮጵያ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጎድኒ ‘ኢትዮጵያዊያን ዘካይድዎ ልዝባት’ ከምዝኾን እውን አረጋጊጾም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A0%E1%89%A6-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8A%AE%E1%88%9D%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8B%8D%E1%8C%8D%E1%8A%A5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%96%E1%88%9D-\/5655708.html"} {"headline":"ሱዳን ኣብ ትግራይ ዘሎ ግጭት ክሳብ ዝሃድእ ንዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ምዕፃዋ ኣፍሊጣ","content":"ተሓጋጋዚ ኣማሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ከሰላ ፈታል ራሕማን ኣል-ኣሚን ካብ ዶብ ብዙሕ ኣብ ዘይርሓቐ ክልል ትግራይ ዘሎ ውግእ ክሳብ ዝሃደእ እቲ ዶብ ተዓፂዩ ከምዝፀንሕ ተዛሪቦም። ዝሓለፈ ዓርቢ ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ደብዳብ ነፈርቲ ብምፍፃም ተወንጨፍትን ካልኦት ከበድቲ ኣፅዋራትን ምዕናዎም ገሊፆም ኣለው። ኣል-ኣሚን ከምዝሓበሩዎ ሰበስልጣን ክፍለ ግዝኣት ከሰላ ካብን ናብን ኢትዮጵያንን ሱዳንን ኣብ ዘእትው ወድ ኣል-ሐሊዮ ነቲ ኹነታት ዝከታተል ሓደ ኮሚቴ ኣጣይሾም ኣለው።ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ህወከት ብምህዳም ንዝኣድሙ ክሕግዙ እዮም ኢሎምሰበስልጣን ሱዳን። ሰበስልጣን ከሰላ ዝኾነ ይኹን ጉጅለ ናብ ሱዳን ምእታው ኣይፍቀደሉን ሱዳን ዓውዲ ኵናት ኣይክትኸውንን እያ ኢሎም ኣል-ኣሚን። ‘’ብረት ዝተዓጠቐ ዝኾነ ይኹን ናብ ከሰላ ክኣቲ ኣይንፈቅድን።ንዘይተዓጥቑ ዝሕግዙ ግን ኣብ መእተዊ ዶብ ወድ ኣል-ሐሊዮ ኮሚቴ ኣጣይሽና ኣለና’’ ኢሎም። ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ መራሕቲ ህወሓት ከበድቲ ኣፅዋርን ንብረትን ንምዝራፍ ንወታደራዊ ካምፕታት ኣጥቒዖም ኢሎም ምስ ከሰሱ እዩ እቲ ግጭት ዝተወልዐ። ድሕሪ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ምዕባለ ኣል-ኣሚን ወታደራዊ ሓይሊ ሱዳን ሓዊሱ መሓውራ ድሕነት ሱዳን ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ጥንቃቐ ክገብሩ ኣዚዞም። ‘’ዝኾነ ይኹን ዓይነት ዘይሕጋዊ ምትእኽኻብ ክንርኢ ኣይንደልን።ኣብ ሃገሮም ዘይምርግጋእ ዝፈጠሩ ዝኾነ ይኹን ብረት ዝተዓጠቑ ሰባት፣ጉጅለታት ኣይንፈቅድን። ዶብና ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንዘይተወሰነ ግዜ ብወግዒ ዓፂናዮ ኣለና’' ኢሎም ኣል-ኣሚን። መሰኻኽር ዓይኒ ኣብ ካብ ከሰላ ከምዝሓበሩዎ ዕጡቓት ሓይልታት ሱዳን ኣብታ ከተማ ብበዝሒ ተዋፊሮም ኣለው።ብቅድሚ ትማሊ ሰንበት እውን ሓገዝቲ ሓይልታትን ዕጡቓት ጉጅለታትን ምሸት ናብ ዶብ ኢትዮጵያ ክጉዓዙ ሪኢኦም ኣለው እዞም መሰኻኽር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/sudan-closes-ethiopia-border-until-tigray-tensions-subside\/5655522.html"} {"headline":"' ኣብ ልዕሊ ህውሓት ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲታት - ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ብምቅራብ ኣብ ቀረባ ጊዜ ክዛዘም'ዩ ' ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ","content":"ኣብ ልዕሊ ህውሓት ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲታት ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ብምቅራብ ኣብ ቀረባ ጊዜ ክዛዘም’ዩ ክብሉ ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም።ንሶም በቲ ህልው ኩነታት ሻቅሎቶም ዝገለጹ ፈተውቲ ነመስግን ድሕሪ ምባል ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ናይ ሓንቲ ሉኣላዊት ሃገር ጉዳይ’ዩ ክብሉ ውን ሓቢሮም። ብካልእ ወገን ነፋሪት ኩናት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣውዲቕና ንዝብል መግለጺ ህውሓት ሚንስትሪ ምክልኻል’ታ ሃገር ነጺግዎ’ሎ። ኣብ ሚንስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ክፍሊ መምርሒ ሜጀር ጄነራል መሀመድ ተሰማ ዝተሃርመ ነፋሪት የለን ክብሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቦም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8B%8D%E1%88%B0%E1%8B%B5-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%88%B5%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%89%B2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%8A%90%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%89%85%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%80%E1%88%A8%E1%89%A3-%E1%8C%8A%E1%8B%9C-%E1%8A%AD%E1%8B%9B%E1%8B%98%E1%88%9D-%E1%8B%A9-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/5654341.html"} {"headline":"ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ - መጸዋዕታ ሰላም ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ልኢኾም","content":"ኣብ ከባቢ ከተማ መቐለ ደብዳብ ንምክያድ ዝኸደት ነፋሪት ብሓይሊ ጸረ ኣየር ነፈርቲ ተወቒዓ ክብል መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ። ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶ\/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል ኢትዮጵያ ናብ ዝኸፍአ ኹናት ሓድሕድ ከይትኣትው ብምባል ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ መጸዋዕታ ሰላም ልኢኾም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%B3%E1%88%AA-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%95%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8C%B8%E1%8B%8B%E1%8B%95%E1%89%B3-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%88%8D%E1%8A%A2%E1%8A%BE%E1%88%9D\/5654317.html"} {"headline":"ኢትዮጵያዊያን ተወለድቲ ትግራይ ኵናት ጠጠው ክብል ብምፅዋዕ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ናይ ተቓውሞ ድምፆም ኣስሚዖም","content":"ኣብ ዝተፈላለያ ክፍለ ግዝኣታት ዩናይትድ ስቴትስ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያንን ኢትዮጵያዊያን ኣሜሪካዊያንን ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ዝበሉዎ ኵናት ብምቅዋም ሎማዕንቲ ሶኑይ ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብዝርከብ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ናይ ተቓውሞ ድምፆምከስምዑ ውዒሎም። ኣተሓባበርቲ ናይቲ ሰልፊ ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ዘይፈልጥ በዝሒ ተወለድቲ ትግራይን ካልኦትኢትዮጵያዊያንን ከምኡ እውን ኤርትራዊያን ዝተረኸቡሉ ዝበሉዎ ኵናት ጠጠው ይበል ኢሎም። ዕላማ ናይቲ ሰልፊ ናይ ኣብይ ኢሎም ዝፀውዕዎ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኵናት ኣዊጁ መጠነ ሰፊሕ ዝኾነ ወታደራዊ ዘመት የካይድ ስለዘሎ መሰረት ዘይብሉን ምኹንዩን ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ ነፃነትን ባህግን ህዝቢ ዝካየድ ዘሎ ወራር ስለዝኾነ ህዝቢ ዓለም ፈሊጡ ጠጠው ከብሎ ፃውዕቲ ንምግባር እዩ ኢሉ ካብ ኣተሓባበርቲ ሓደ ዝኾነ ኣቶ የማነ ሓለፎም። ኣብቲ ሰልፊ ኵናት ኣይፋልን፣ኣብይ ይውረድ ዝብሉን ካሎትን ጭርሖታት የስምዑ ነይሮም።ህዝቢ ዓለም ብፍላይ ድማ ዩናይትድ ስቴትስ ኵናት ጠጠው ንክብል ድፍኢት ክገብሩ ዝፅውዕ መልእኽቲ ንምስቴር ጉዳያት ወፃኢ ደብዳበ ምቕራቦም ገሊፁ ኣሎ ኣቶ የማነ ሓለፎም። መዓዛ ጊደይ ዝተብሃለት ነባሪ ክፍለ ግዝኣት ቨርጂኒያን ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላትን ዝተሳተፈትሉ ምኽኒያት ምእንቲ ሰላም ህዝቢ ትግራይ ድማ ደላዩ ሰላም ኮይኑ ግን ኣብ ልዕሊኡ ተኣዊጁ ዘሎ ኵናት ጠጠው ንምባል ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ጣልቃ ክ ኣቲ ንምፅዋዕ እዩ ኢላ።እቲ ኵናት ንትግራይን ኢትዮጵያን ጥራሕ ከይኮነ ነቲ ዞባ ሓደገኛ እዩ እውን ኢልካ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ነቲ ሰልፊ ዘዋደድኦ ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲና ከባቢኣን ዝርከባ ውዳበታት ተጋሩ እየን ብመሰረት ኣቶ የማነ። ብድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8B%B5%E1%89%B2-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%B5%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8C%A0%E1%8C%A0%E1%8B%8D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8D%85%E1%8B%8B%E1%8B%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8B%E1%88%BD%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%89%B0%E1%8A%95-%E1%8B%B2%E1%88%B2-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%88%9E-%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8D%86%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%9A%E1%8B%96%E1%88%9D-\/5654119.html"} {"headline":"ደሞክራሲያዊ ምትሕብባር ትግራይ: ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ግጉይ መረዳእታ ይህብ ኣሎ ክብል ከሲሱ","content":"ኣቦ መንበር ፓርቲ ደሞክራሲያዊ ምትሕብባር ትግራይ ዶ\/ር ኣረጋዊ በርሀ፥ ህወሓት ብዛዕባ’ቲ ብፈደራል መንግስቲ ዝውሰድ ዘሎ ወታሃደራዊ ስጉምቲ፡ ንህዝቢ ትግራይ ግጉይ መረዳእታ ይህብ ኣሎ ኢሉ። እቲ ፓርቲ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ እቲ ወታሃደራዊ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ኮነ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝውሰድ ዘሎ ኣይኮነን ዝበለ ዶ\/ር ኣረጋዊ በርሀ፥ ህወሓት ግን ከምኡ እናበለ`ዩ ንህዝቢ ዘደናግር ክብል ከሲሱ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B0%E1%88%9E%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%88%B2%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%A5%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%8C%89%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%88%A8%E1%8B%B3%E1%8A%A5%E1%89%B3-%E1%8B%AD%E1%88%85%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%A8%E1%88%B2%E1%88%B1\/5653896.html"} {"headline":"ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ግዚያዊ መንግስቲ ከቕውም ኣዚዙ","content":"ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፥ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ልዕልና ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ኣብ ሓጺር ግዜ ክውዳእ`ዩ ኢሉ። ኢትዮጵያ ነቶም ሻቕሎቶም ዝገለጹ መሓዙታ ተመስግን ዝበለ ዶ\/ር ኣቢይ ፥ እቲ ስርሒት ሓንቲ ልዑላዊት ሃገር ንውሽጣዊ ጉዳያታ ተመሓድረሉ ዓቕሚ`ዩ ኢሉ። ብደብዳብ ነፈርቲ ዝተሰነየ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ኩናት ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን፥ ኣባል ፈጻሚ ኮሚቴ ህወሓት ጌታቸው ረዳ፥ ሓንቲ ነፋሪት ውግእ ኣውዲቕና ክብል ከሎ፥ ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ምክልኽል ኢትዮጵያ ጀነራል መሓመድ ተሰማ ንድምጺ ኣሜሪካ ክዛረብ ከሎ ድማ፥ ነቲ ዝተባህለ ብምንጻግ ኩለን ነፈርትና ኣማን`የን ዘለዋ ተልእኮኣን ድማ ብዝግባእ ይፍጽማ`ለዋ ኢሉ። ብኻልእ ወገን ትማሊ ሰንበት ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ፥ ሓዲሽ ኣዛዚ ሰራዊት፡ ሓዲሽ ሓላፊ ስለያን፥ ሓዲሽ ሚንስተር ጉዳያት ወጻእን ሸይሙ`ሎ። ብኻልእ ወገን፥ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ፥ ብቐዳም ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፥ ፈደራል መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ግዚያዊ መንግስቲ ከቕውም ኣዚዙ`ሎ። ብቤት ምኽሪ ፈደረሽን ዝተመሓላለፈ ውሳነ 359\/2003 ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ክልላዊ መንግስቲ ንሕገመንግስታዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ ስለዘእተወ መንግስቲ ብመሰረት ሕገመንግስታዊ ዓንቀጽ 62\/9 ናብቲ ክልል ኣትዩ ሕጊ ከኽብር ኣለዎ ይብል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%A8%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%8B%9A%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%95%E1%8B%8D%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%8B%9A%E1%8B%99\/5653885.html"} {"headline":"'ኣብ ከባቢ መቐለ ዝነበረ ተወንጫፊ ሮኬታትን ከበድቲ ኣጽዋርን ተደብዲቡ' ቀ\/ሚ ኣብይ","content":"ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ መቐለን ከባቢኡን ዝፈጸሞ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝነበሩ ሮኬታትን ከበድቲ ኣጽዋርን ምሉእ ንምሉእ ምዕናው ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም። ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሮኬታት ክሳብ 300 ኪሎ ሜትሮ ክውንጨፉ ዝክእሉ ምንባሮም'ውን ተሓቢሩ'ሎ። እቲ ትማሊን ሎሚ ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝቅጽል ዝሓበሩ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ እቲ መጥቓዕቲ መዓስ ደው ከምዝብል: \"ጽፍሪ ዝነቀሉ: ሰብ ዝቐተሉ: ሃብቲ ዝዘረፉ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ምስ ቐረቡ ሽዑ ደው ክብል'ዩ\" ክብሉ ገሊጾም። ብዛዕባ እቶም ናይ ልዝብን ዕርቂ ሓሳብን ዘልዕሉ ወገናት ተሓቲቶም ክምልሱ ከለው ነቲ ሓሳብ ከምዘይቅበልዎ'ውን ሓቢሮም ኣለው። እቲ ወታሃደራዊ ስጉምቲ ደው ዝብል ገበነኛታት ናብ ሕጊ ክቐርቡ ከለው ጥራይ'ዮም ኢሎም። ቀ\/ሚ ኣብይ ቀጺሎም ሰላማዊያን ሰባት ካብቲ መጥቓዕቲ ዝካየደሉ ቦታ ክርሕቑ'ውን ኣተሓሳሲቦም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%8A%95%E1%8C%AB%E1%8D%8A-%E1%88%AE%E1%8A%AC%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%89%A0%E1%8B%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%8C%BD%E1%8B%8B%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B2%E1%89%A1-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD\/5651311.html"} {"headline":"ርእይቶታት ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ጉዳይ ኩናት ክልል ትግራይ","content":"ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝተወልዐ ኹናት ስለምንታይ ኣማራጺ ኾይኑ? ዕላምኡ እንታይ'ዩ? ናበይ ገጹ'ዩ ? ብኸመይ'ከ ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል መዛረቢ ነጥብታት ሒዙ ፥ ንክልተ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ዘለዎም ኢትዮጵያውያን ተወላዶ ክልል ትግራይ ኣዘራሪብና'ሎ። ኣቶ መሓሪ ኣበራ ካብ ካናዳ ክኸውን ከሎ፥ ኣቶ ጌታቸው ገብረኪሮስ ካብ ኣመሪካ'ዮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል​። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8B%B5%E1%89%B2-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A9%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/5651297.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣብ ልዕሊ ህውሓት ዝተወስደ ፈላማይ ስጉምቲ ብዓወት ምዝዛሙ ሓቢሮም","content":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ህውሓት ዝተወስደ ፈላማይ ዙር ስጉምቲ ብዓወት ተዛዚሙ ክብሉ ኣፍሊጦም ህውሓት ንተወሳኺ መጥቓዕቲ ወስ ክብል ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ኣብጺሕናዮ ኣለና ዓቕሙ አዳኪምናዮ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚንስትር:ሎሚ ምሸት ንህዝቢ ኣብ ዝሰምዕዎ መደረ ጉጅለ ህውሓት ብምሉኡ ናብ ፍርዲ ክሳብ ዝቀርብ እቲ ወፍሪ ክቅጽል'ዩ ኢሎም። እቶም ቀ\/ሚ ብጽሑፍ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሰራዊት ምክልኻል ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ውሱንን ክፍጸም ዝከአልን ዒላማታት ዘለውዎ'ዮም ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B5%E1%8B%B0-%E1%88%B5%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%89%A5%E1%8B%93%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8B%9B%E1%88%99-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/5650940.html"} {"headline":"ኣገልግሎት መብራህቲ ከተማ መቐለ ምጅማሩ ተገሊጹ","content":"ኣብ ዋና ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ካብ ትማሊ ምሸት ጀሚሩ ኣገልግሎት መብራህቲ ጀሚሩ'ሎ። ሓደ ላዕለዋይ ኣመራርሓ'ቲ ክልል ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል መንግስቲ ክልል ብባዕሉ ኣብቲ ክልል ካብ ዝርከቡ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌትሪክ ህዝቢ ክጥቀም ከምዝገበረ ኣፍሊጦም ኣለው ። ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቀሳ ተቓወምቲ ውድባት ባይቶና: ሳልሳይ ወያነን ውድብ ናጽነት ትግራይን ኣብ ጎኒ ህዝብን መንግስቲን ብምዃን ክንምክት ኢና ዝብል መግለጺ ኣውጺኣን ኣለዋ ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%88%85%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%88%9D%E1%8C%85%E1%88%9B%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9\/5650936.html"} {"headline":"ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ተዛረብቲ ትግርኛ ይእሰሩ ከምዘለው ነበርቲ ገሊፆም","content":"ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኢትዮጵያ ትግርኛ ተዛረብቲ ተጋሩ ብበዝሒ ይእሰሩ ከምዘለው ነበርቲ ገሊፆም።ኣብ ጋምቤላን ቤንሻንጉል ጉምዝን ዝነብሩ ከምዝገለፁልና ኣብ ንግድን ስራሕ መንግስትን ዝተዋፈሩ ይእሰሩ ከምዘለው ገሊፆም።ፖሊስ ኮሚሽን ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ኣባላትን መራሕትን ህወሓትን ነጋዶን 30 ተጋሩን ሸውዓት ኣባላት ኦነግሸኔን ኣብ ቁፅፅር ወዒሎም ኣለው።እቲ ማእሰርቲ ቀፃሊ እዩ ኢሎም።ኣብ ጋምቤላ እውን ኣብ መንጎ ብሄረሰባት ግጭት ክፈጥሩ ፈቲኖም ዝበሎም 19 ኣባላት ህወሓትን ኦነግ ሸኔን ኣብ ቁፅፅር ምውዓሉ ሃገራዊ ድሕነት ኣፍሊጡ።ብኻሊ ወገን ላዕለዎት መኮነናት ሓዊሱ ትግርኛ ተዛርብቲ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ፌደራል ፖሊስን ዕጥቖም ፈቲሖም ኣብ ገዛውቶም ኮፍ ክብሉ ከምዝተኣዘዙ ንቪኦኤ ገሊፆም።ብኻሊእ ዜና ትግርኛ ተዛረብቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ዓለምለኸ በረራ ከይገብሩ ኣብ ቦሌ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ከምዝተኸልከሉ መንገደኛታት ገሊፆም። ሽሞም ክግልፀሎም ዘይደለዩ ነባራይ ከተማ ጋምቤላ ኣብቲ ከባቢ ይኸውን ብዛዕባ ዘሎ ተሓቲቶም ‘’ኣብ ከተማ ጋምቤላ ንኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ፌደራል ፖሊስን ዕጥቖም የፍትሑዎም ኣለው’’ ኢሎም። ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ተኣሲሮምን ይእሰሩን ኣለው ክብሉ ሽሞም ዘርዚሮም ኣለው። ብተተመሳሳሊ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ከተማ ኣሶሳ ብርክት ዝበሉ ተወለድቲ ትግራይ ብሓይልታት ፀጥታ ይእሰሩ ከምዘለው ሓደ ሽሞም ክግለፀሎም ነጋዳይ ገሊፆም።ኣብታ ከተማ ወነንቲ ኣለው ዝብሃሉ ናይ ንግዲ ትክላትን ሆቴላትን ይእሰሩ ኣለው ይብሉ እዞም ብስልኪ ዘዘራረብኩዎም። ናይ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ክልል ኮሚሽነር ዓብዲ ዓዚዝ መሓመድ ኣብቲ ክልል ፀገም ንምፍጣር ዝንቀሳቐሱ ኣባላትን መራሕትን ህወሓት ከምኡ እውን ኣብ ንግዲ ዝተዋፈሩ 30 ትግርኛ ተዛረብቲን ሸውዓት ኣባላት ኦነግ ሸኔን ብድምር 37 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም ገሊፆም።እቲ ማእሰርቲ ከምዝቕል እውን ሓቢሮም ኣለው። ሃገራዊ ድሕነት ብወገኑ ኣብ ጋምቤላ ኣብ መንጎ ብሄረሰባት ግጭት ንምፍጣር ውዲት ይፈጥሩ ነይሮም ዝበሎም 19 ኣባላት ህወሓትን ኦነግን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅ ምውዓሉ መራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ፀቢበን ኣለዋ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ትግርኛ ተዛረብቲ ብምዃኖም ናይ ወፃእን ውሽጥን ሃገር በረራ ከይንገብር ተኸልኪልና ኢሎም መንገደኛታት። ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለየ ኣብ ወፃኢ ሃገር ዝነብር ነጋዳይ ኢትዮጵያዊ ሃገር ሰላም ኢሉ ንምጉዓዝ ናብ ቦሌ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ከምዝኸደን ኣብኡ ግን ዘይገመቶ ነገር ከምዘጋጠሞን ይገልፅ።’’ተጋሩ ንዘይተወሰነ እዋን ከይጉዓዙ ተኸልኪሉ እዩ ኢሎምኒ።ኣዚየ እየ ሓዚነ’’ ኢሉ። ንሱ ብምውሳኽ ኣብ እዋም ደርጊ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ይፍፀም ነይሩ ዝበሎ ብምዝኽኻር ታሪኽ ንርእሱ ይደግም ኣሎ፤ተወልደቲ ትግራይ ኣብ ዓዶም ከይወፁ ኢልካ ምኽልካል ዘሕዝን እዩ ኢሉ። ካብ ኢምግረሽን ቦሌ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ይኹን ካብ ካልኦት ኣካላት መብርሂ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን። ብኻሊእ ወገን ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ፖሊስ ፌደራልን ዕጥቖም ፈቲሖም ኣብ ገዛውቶም ኮፍ ክብሉ ከምዝተኣዘዙ ዘዘራረብናዮም መኮነናት ገሊፆም።ዝተውሃቦም ምኽኒያት ‘’ንድሕንነትኩም’’ ዝብል ከምዝኾነ ገሊፆም ኣለው።ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኡን ካብ ዝተመደቡ ንድሕንነቶም ክብሉ ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ መኮነናት እቲ ውሳነ ምድንጋር ከምዝፈጠረሎም ሓቢሮም።ዝርዝሩ ድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/tigrians-in-different-regions-are-arrested-according-residents-and-police\/5651211.html"} {"headline":"መግለጺ ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣብ ህልው ኩነታት ክልል ትግራይ","content":"ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ግጭት ተጸሚዶም ዘለው ወገናት፣ ንህይወት ሰብን ንብረትን ካብ ሓደጋ ንክከላኸሉን፣ ህዝቢ ሕክምናዊን ካልኦት ሓገዛትን ንክረክብ ከኽእሉን ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ጸዊዑ። ቀይሕ መስቀል‘ብሰንኪ እቲ አብ’ቲ ከባቢ ዝተወለዐ ጎንጺ፣ ኣብ ካልኦት ከባቢታት’ውን ክበጽሕን፣ ህዝቢ ክፈናቀልን መሰረታዊ ቀረባት ንከይረክብን ስለዝገብር’ ዓሚቅ ሻቅሎት ዝፈጥር እዩ ይብል ። ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፣ ኣብ አዲስ አበባን መቀለን ብዘለው ወኪላቱ ኣቢሉ ነቲ ኩነታት ይከታተሎ ከምዘሎ’ውን ሓቢሩ ኣሎ። እቲ ግጭት ምስ ዝቅጽል፣ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፣ ንዝቆሰሉን ሓገዝ ናብ ዝደልዩን ኣምቡላንስን ኪኢላታትን ንከእትው ንክፍቀደሉ’ውን ሓቲቱ። ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ውግእ ዝተወለዐ፣ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተደጋጋሚ ህውከት ኣብ ዝኽሰተሉ እዋን ከምዝኾነ’ውን ቀይሕ መስቀል ኣዘኻኺሩ። ዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ወሲኹ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ፣ ብርክት ዝበሉ ሰባት፣ ተቀቲሎም፣ ቆሲሎምን ተፈናቂሎምን እዮም ይብል ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%88%95-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%89%80%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%88%8D%E1%8B%8D-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/5651157.html"} {"headline":"ግብረ መልሲ ዝተፈላለዩ ክልላት ናብ ክልል ትግራይ ዝተፈጥረ ኩነታት","content":"ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ደቡብ ኢትዮጵያ ኣቶ ርስቱ ይርዳው ህወሓት ኣነ እንተዘይመሪሐ ሃገር ክትፈርስ ኣለዋ ብዝብል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ክፍጽም ድሕሪ ምጽናሕ፥ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝፈጸሙ መጥቃዕቲ ካብ ስነልቦናን ሞራልን ኢትዮጵያ ዝወጸ እኩይ ተግባር'ዩ ኢሉ ። ንሱ ኣስዒቡ ኢትዮጵያ ሓድነታ ተሓልዩ ክቕጽልን ሰባት በሰላም ወፊሮም ክኣትዉን፡ ብዝለዓለ ትኹረት ክንሰርሕ ኢና ኢሉ። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣቶ ደስታ ሌዳሞ ብወገኑ፥ ተስፋ ዝቖረጸ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ መዓስከር ሰራዊት ምክልኻል ዝፈጸሞ ኢ-ሰብኣዊ ተግባር ሃገር ንምፍራስ ዝግበር ግልጺ ፈተነ'ዩ ድሕሪ ምባል፥ ሰራዊት ምክልኻል ንልኡላውነት ሃገር ንምኽባር ብዘለዎ ሓላፍነት ነቲ መጥቃዕቲ ዝተኻየደሉ ከባብታት ብምቁጽፃር ነቲ ጽንፈኛ ጉጅለ ኣብ ናይ ምድምሳስ ስራሕ ይርከብ ኣሎ ኢሉ ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ' መንግስቲ የለን እናበሉ ካብ ሕጊ ወጻኢ ኣብ ዝኾነ ተግባራት ክንቀሳቐሱ ዝጸንሑ 37 ውልቀ ሰባት ሒዘ ክብል ኮሚሽን ፖሊስ\"ቲ ኽልል ኣፍሊጡ። ኮሚሽነር ፖሊስ ዓብደልዓዚዝ መሓመድ 30 ካብኣቶም ኣባላት ሕወሓትን ሰብ ሃብትን ክኾኑ ኸለዉ 7 ድማ ኣባላት ኦነግ ሸነ'ዮም ኢሉ ። ገለ ነበርቲ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ሓበረታ ድማ ተጋሩ ስለዝኾና ጥራሕ ንእሰርን ንከላበትን ኣለና ኢሎም። ብተመሳሳሊ ኩነታት ኣብ ክልል ጋምቤላ'ውን ብሄር ምስ ብሄር ንምግጫው ሸርሒ ዝፍጽሙ ዝነበሩ'ዮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 19 ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅጽር ከምዝወዓሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ድሕነትን ስለያን ኣፍሊጡ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%A8-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-\/5649702.html"} {"headline":"'ክልላዊ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል መጥቓዕቲ ፈጺሙ' ምኽትል ኢታማዦር ሹም ጀነራል ብርሃኑ","content":"ሎሚ ኣብ ምንስቴር ምክልኻል ኣብ ዝተውሃበ መግለፂኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን ክልላዊ መንግስቲትግራይን ናብ ኵናት ካብ ዝእተ እዚ ንመጀመሪያ ግዜእዩ።ምኽትል ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ምክልኻልኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃቡዎ መብርሂ ሰራዊት ምክልኻል ሰሜን እዚዘይሓሰቦ መጥቓዕቲ ተፂምዎ ኢሎም። ‘’ሰሉስ ምሸት ስዓት ኣርባዕተ ናይ ሰሜን እዚ ሰራዊትናበብዘለዎ ትፅቢት ዘይተገበረሉ፣ዘይተሓሰበመጥቓዕቲተፈፂሙዎ’’ እዮም ኢሎም። ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈፀመ ሓይሊ ናይ ወፃኢ ወራሪኣይኮነን፤ተዓጢቑን ሸፊቱን ምስ መንግስቲ ኣብ ግጭትዘሎ ሓይሊ ከይኮነስ ናይ ባዕልና ናይ መንግስቲ ኣካል ካብዝኾነ ናይ ትግራይ ክልላዊ መንግስቲ ውሽጢ ዘለውሓይልታት ፅንፊ እዮም ኢሎም። ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ጉድጓድ ኮይኑ ናይ ትግራይህዝብን ናይ ኢትዮጵያ ህዝብን ዝሕሉ ዝነበረ ናይ ሰሜንእዚ ዝብሃል ብናይ ባዕሉ መንግስትን ወገኑን ወራርተፍፂሙዎ ኢሎም ጀነራል ብርሃኑ። ሰራዊት ምክልኻል ነቲ መጥቓዕቲ ብጅግንነት መኪቱዎእውን ኢሎም። ‘’ሰራዊትና ብዝለዓለ ደረጃ ተኸቢቡ ኢድካ ሃብ፣ዕጥቕኻፍታሕ ተባሂሉ እናሃለወ ዝተወደበሉ ዕላማነዚ ስለዘይኮነ ብዘለዓለ ጅግንነት መኪቱዎም፣ኣብ ምምካትእውን ይርከብ ኣሎ’' ኢሎም። እቲ ዝተረፈሰ ሰራዊት ምክልኻል ነቲ ሓይሊ ንምድሓንብዝተፈላለየ ኣንፈት እውን ኢሎም ናብኡየምርሕ ኣሎኢሎም። ህዝቢ ትግራይ ነቲ ናይ ህወሓት ተግባር ተቓዊሙዎ እዩዝበሉ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ንምክልኻል ሓይሊ ኢትዮጵያክኸብብ ተልእኾ ዝተወሃቦ ሓይሊ ከይተረፈ ነቲ ውግእኣብ ምቅዋም ከምዝርከብ ወሲኾም ገሊፆም።ሰራዊትኢትዮጵያ ኣጋርነቱ ኣብ ምርግ ጋፅ ይርከቡ ዝበሉ ንሶምዝቖሰሉ እናልዐሉ ናብ ሕክምና የምፅኡዎም ከምዘለውወሲኾም ገሊፆም።ምስ ሓደ ፀቢብን ፅንፍኛን ኢሎምዝፀውዕዎ ዝካየድዘሎ ኵናት እምበር ንህዝቢ ትግራይኣይውክልን ኢሎም ብምውሳኽ።እቲ ውግእ ሓይልታት ምክልኻልዝምክቱዎን ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ዘይበፅሕ ግን ህዝቢ ከይጉዳእ ሰራዊት ምክልኻልብጥንቃቐይሰርሕ ኣሎ ኢሎም። እቲ ውግእ ናብ ማእኸል ሃገር ኣይመፅእን፣ ኣብኡ ክውዳእ እዩ ኢልና ኢና ንሰርሕ ዘለና ኢሎምምኽትል ኤታማዦር ሹም ጀነራል ብርሃኑ ጁላ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴርጉዳያት ወፃኢ ማይክ ፖምፒዮ ህወሓት ኣብ ትግራይዝርከቡ ካምፕታት ሓይልታት ምክልኻል መጥቓዕቲምፍፃሙ ዝገልፁ ሪፖርትታት ኣዚዩኣተሓሳሲቡና ኣሎ ኢሎም።ሰላም ንምምላስን እቲ ወጥሪ ንምህዳእንቕልጡፍ ስጉምቲ ንክወሰድ እውን ኣተሓሳሲቦም ይብልፀብፃብ እስክንድር ፍሬው ካብ ኣዲስ ኣበባ። ብኻሊእ ዜና ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣዋሰንቲ ከባቢ ዝኾኑሶሮቃን ቅርቃርን ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ብርክት ዝበለ ናይህወሓት ሓይሊ ብሰላም ኢዱ ሂቡ ክብሉ ርእሰ ኣመሓዳሪኣቶ ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም። ካብ ትማሊ ፍርቂ ለይቲ ክሳብ ንጉሆ ተደጋጋሚመጥቓዕቲ ፈኒዩ ከምዝነበረ ዝገለፁ ኣቶ ተመስገንጥሩነህ ኣብ ዝተኻየደ መሊስካ ናይ ምጥቓዕ ብርክትዝበሉ ቦታታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ ኣሎ፤እቲ ውግእዕዉት ነይሩ ኢሎም። ናይቲ ክልል ፍሉይ ሓይሊ፣ሚሊሺያን ሰራዊት ምክልኻልንብዝተወዳደ ኣብ ዘካየዱዎ ቓልሲ ኣብ ሶሮቃን ቅርቃርንብዘይድልየቱ ክዋጋእ ዝተገበረ ዝበሉዎ ናይ ትግራይሓይሊ ፀጥታ ኢዱ ሂቡ ኣሎ ኢሎም። እቲ ከባቢ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ሓይሊ ፀጥታ ክልልኣምሓራ ምእታው እውን ገሊፆን ይብል ፀብፃብ ኣስቴርምስጋናው ካብ ባህር ዳር። ብዝተኣሳሰረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህወሓትይወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ከምዝድግፉ ክልላት ደቡብህዝብን ሲዳማን ገሊፆም ብመሰረት ፀብፃብ ዮናታንዘብዲዮስ ካብ ሃዋሳ።። ብኻሊእ ብኻሊእ ወገን ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝተወስደስጉምቲ ኣብ ካልኦት ክፋላት እታ ሃገር ናይ ፖለቲካዕላማታቶም ብሓይሊ ንምፍፃም ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱሓይልታት እውን ክውሰድ ከምዝግባእ ኢዜማኣተሓሳሲቡ።እቲ ሰራዊትን ሓይልታት ፀጥታንዝወስዱውም ሓይሊ ናይ ምኽባር ስጉምትታት ናይ ኩሎም ዜጋታት ሰብኣውን ዴሞክራሲያዊን መሰላትከኽብሩ ፀዊዑ ኣሎ። እቲ ፓርቲ ሎማዕንቲ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ናይሃገር ሰላምን ሓድነትን ንምርግ ጋፅ ዝውሰድ ስጉምቲብቕልጡፍ ክዛዘም ኣተሓሳሲቡ ኣሎ ይብል ፀብፃብመለስካቸው ኣምሃ ካብ ኣዲስ ኣበባ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-is-sliding-in-to-civil-conflict\/5649626.html"} {"headline":"መቐለ - ደብዳብ ነፋሪት ኲናት ተኻይዱ ክብል መንግስቲ ክልል ትግራይ ከሲሱ","content":"ኣብ ከተማ መቐለ ነፋሪት ኩናት ፈደራል መንግስቲ ደብዲባ ክብል መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ። እዚ ናይቲ ስርዓት ጸረ ህዝብነት ዘርኢ'ዩ ከም ዝበለ'ውን ተሓቢሩ፡ሎ።\\nብዛዕባ ዝወረደ ጉድኣት እንተልዩ ግን ኣይሓበረን። ኣብ ከተማ መቐለ ሰዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ ኣቢሉ ብርቱዕ ናይ ኣውሮፕላን ድምጺ ከምዝተሰምዐ'ውን ወኪልና ሙሉጌታ ኣጽብሃ ሓቢሩ'ሎ። ብዛዕባ ቲ ደብዳብ ካብ ፈደራል መንግስቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የለን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88---%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%89%A5-%E1%8A%90%E1%8D%8B%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A8%E1%88%B2%E1%88%B1\/5649547.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ጉዳይ ክልል ትግራይ ምስ ናይ ሱዳን መዘንኡ ብስልኪ ምዝርራቡ ተገሊጹ","content":"ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ብዛዕባ`ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ምስ ናይ ሱዳን ቀ\/ሚ ዓበደላ ሓምዶክ ብስልኪ ከም ዝተዘራረበ ኣገልግሎት ዜና ፋና ሓቢሩ። ዶ\/ር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ እዋን፥ ብዛዕባ`ቲ ዝተፈጸመ ተግባራትን ሰላም ንምምጻእ ዝካየድ ዘሎ ስራሕን ንናይ ሱዳን መዘንኡ ከምዝሓበሮ ተጠቒሱ`ሎ። ቀዳማይ ሚንስተር ሱዳን ዓበደላ ሓምዶክ ብወገኑ፡ ሃገሩ ኣብታ ሓፍቲ ዝኾነት ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ኩነታት ብቀረባ ከምዝከታተሎን ንሱዳንን ነቲ ዞባን`ውን ከምዘገድስ ምግላጹ ንኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሱና ዝጠቐሰ ፋና ሓቢሩ`ሎ። ክልቲኦም መራሕቲ ብመሰረት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ጽኑዕ ምሕዝነት ብቐጻሊ ርኽበን ክቅጽላ ምስምምዐን ሱና ጠቒሱ`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8B%98%E1%8A%95%E1%8A%A1-%E1%89%A5%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8A%AA-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%88%AD%E1%8B%9D%E1%89%A1-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5649334.html"} {"headline":"መግለጺ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት","content":"ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፒዮ፥ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ ልዕሊ`ቲ ኣብ ትግራይ ዝርከብ መዓስከራት ሓይልታት ምክልኻል ሃገር መጥቃዕትታት ፈጺሙ ዝብል ሪፖርት ከምዘሻቐሎ ኣፍሊጡ። ማይክ ፖምፒዮ ኣተሓሒዙ ሰላም ናብ ንቡር ንምምላስ ህጹጽ ስጉምቲ ክውሰድን ውጥሪ ክሃድእን ኣተሓሳሲቡ`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AD-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5\/5649325.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዝጀመሮ ወታሃደራዊ ወፍሪ ኣብ ሓጺር ጊዜ ብትሑት ኪሳራ ክዛዝሞ'የ ኢሉ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከብ ሓደ ናይ ሸፋቱ ጉጅለ ዝጀመሮ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣብ ሓጺር ግዜን ብትሑት ክሳራን ክዛዝሞ'የ ኢሉ። ወሃቢ ቓል ናይቲ ነቲ ወተሃደራዊ ወፍሪ ክመርሕ ዝቖመ ኮሚቴ ኣቶ ረድዋን ሑሴን ንሪፖርተራት ክገልጽ ከሎ፥ መንግስቲ ሕገ-መንግስቲ ናይ ምሕላውን ግዝኣተ ሕጊ ናይታ ሃገር ናይ ምኽባርን ግዴታ ኣለዎ ኢሉ።ኣስዒቡ መንግስቲ ነቲ ስራሕ ብዝተሓተ ክሳራ ከምዝፍጽሞ ኣፍሊጡ'ሎ። ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ ምሸት ነታ ሃገር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ድሕሪ ምግላጽ፥ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ልዕሊ ህወሓት ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስድ ኣዚዙ'ሎ። ካብ ክልል መንግስቲ ትግራይ ብዛዕባ'ቲ መጥቃዕቲ ዝተሰምዐ ነገር የለን። ወሃቢ ቓል'ቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ኣቶ ረድዋን ሑሴን፥ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሓደ ጸቢብ ፖለቲካዊ ረብሓ ዘለዎ ንእሽቶ ጉጅለ ዝካየድ'ዩ ኢሉ'ሎ። ኣተሓሒዙ፥ ህዝቢ ትግራይ'ውን ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ደሞክራሲያውን ሲቪላውን መሰላት ተቛዳሲ መታን ክኸውን፥ እቲ ኩነታት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ብምእታዉ ክነረጋግጽ ኢና ኢሉ'ሎ። ምኽትል ቀዳማይ ሚንስተር ደመቀ መኮነን ብወገኑ፥ እቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ዝግበር ዘሎ፡ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ስለዝፈጸመ'ዩ ኢሉ'ሎ። ብኻልእ ወገን ቤት ምኽሪ ሚንስተራት ኣብ ክልል ትግራይ ናይ ህጹጽ ሓደጋ እዋን ኣዊጁ'ሎ። ነቲ ህጹጽ ኣዋጅ ዘፈጽም ብጠቕላሊ ሓለቓ ወተሃደራዊ ስታፍ ዝምራሕ ሓይሊ ዕማም'ውን ኣቑሙ'ሎ። ብኻልእ ወገን ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ተመስገም ጥሩነህ፥ ብህወሓት ኣብ ዝኾነ ከባቢ ንዝፍጸም መጥቃዕቲ ናይ ምምካት ዓቕሚ ኣለና ኢሉ። ብሰላም ናብ ክልል ኣምሓራ ንዝመጹ ናይ ትግራይ ፍሉይ ሓይሊ' ውን ውሕስነት ክንህብ ኢና ኢሉ። ኣመሓዳሪ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ'ውን ግብኣተ -መሬት ህውሓት ክፍጸም'ዩ ኢሉ። ኣስዒቡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ ፈደራል መንግስቲ ደው ክብል ጸዊዑ። ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ኣበረ ኣዳሙ ሎሚ ንድምጺ ኣሜሪካ ክገልጽ ከሎ፡ ህወሓት ዝልለየሉ ተንኮሉ፥ ኣብ ልዕሊ ንጹሓት ሰባት ባዕሉ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ፖለቲካዊ ቁማር ምጽዋት ስለዝኾነ፥እቲ ሕብረተሰብ ንርእሱን ንከባቢኡን ክሕሉ ይግባእ ክብል መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ብተመሳሳሊ መንገዲ ምምሕዳራት ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ,:ክልል ሶማል፡ ክልል ዓፋር፡ ክልል ጋምቤላ ኣብ ጎኒ ፈደራል መንግስቲ ደው ከምዝብሉ ዝገልጽ መልእኽትታት ኣሕሊፎም ኣለዉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8C%80%E1%88%98%E1%88%AE-%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%88%E1%8D%8D%E1%88%AA-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%93%E1%8C%BA%E1%88%AD-%E1%8C%8A%E1%8B%9C-%E1%89%A5%E1%89%B5%E1%88%91%E1%89%B5-%E1%8A%AA%E1%88%B3%E1%88%AB-%E1%8A%AD%E1%8B%9B%E1%8B%9D%E1%88%9E-%E1%8B%A8-%E1%8A%A2%E1%88%89\/5648139.html"} {"headline":"\" ሕወሓት ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዝርከብ መዓስከር ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ኣካይዱ \" ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ሕወሓት ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዝርከብ መዓሰከር ሰራዊት ምክልኻል መጥቃዕቲ ኣካይዱ፤ ንእዚ ሰሜን ድማ ክዘርፎ ፈቲኑ ክብሉ ኣፍሊጦም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ኣብ ፈይስቡክ ኣብ ዝዘርግሕዎ መግለጺኦም: ሕወሓት ንህዝቢ ትግራይ ክሕልው ንዝጸንሐ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ከም ናይ ግዳም ሃገርን ወራሪ ሓይሊን ቆጺርዎ፤ በዴልሻህ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ድማ ኲናት ከፊቱ ኢሎም። ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብኮማንድ ፖስት እናተመርሐ ሃገር ናይ ምድሓን ተልእኾኡ ክፍጽም ሓላፍነት ተዋሂቦኣሎ ክብሉ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም። ብዘይካ'ዚ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር: ቀይሕ መስመር ተረጊጹዩ፤ ሃገርን ህዝብን ናይ ምድሓን ሓላፍነት ድማ ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ኮይኑ ኣሎ ኢሎም። ንሶም: ህዝቢ ነቲ ኩነታት ስኽን ብዝበለ መንፈስ ክከታተልን - ኣብ ከከባቢኡ ንዝፍጠሩ ተንኮይቲ ነገራት ብንቕሓት ክከታተል ብተወሳኺ ኣተሓሳሲቦም። መንግስቲ - ህዝቢ ትግራይ ንኸይጉዳእ ብምሕሳብ ኲናት ከይኽሰት ክሳብ ናይ መወዳእታ ትዕግስቱ ከምዝተዓገሰ ብምግንዛብ: ኲናት ክተርፍ ዝኽእል ብድሌት ሓደ ወገን ጥራይ ኣይኮነን ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%B5%E1%8A%A8%E1%88%AD-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%83%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5\/5647832.html"} {"headline":"መግለጺ ክልል ትግራይ ኣብ ክልል ኦሮምያ ንዘጋጠመ መጥቓዕቲ","content":"መንግስቲ ክልል ትግራይ ብግፍዒ ናይ ዝተቐተሉ ንፁሃት ዜጋታት ደም ብምጥቃም ፖለቲካ ትርፊ ንምርካብ ምጉያይ: እቲ ሓቂ ንምሕባእ ዝግበር ፀረ ህዝቢ ሽርሒ እዩ ኢሉ :: መንግስቲ እቲ ክልል ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምዕራብ ወለጋ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ዜጋታት ዝተፈፀመ ቕትለት ብምኹናን ሓዘኑ ገሊፁ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2\/5647024.html"} {"headline":"ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ አዲስ አበባ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ከምዘተሓሳሰቦ ገሊጹ","content":"ኣብ ምዕራብ ወለጋ ክልል ኦሮምያ፣ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ንደቂ አንስትዮን ቆልዑን ሓዊሱ ዝተፈጸመ ግፍዓዊ ቅትለት ከምዘሰምበዶ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ አዲስ አበባ ገሊጹ። መብዛሕተኦም ግዳያት ዒላማ ቅትለት ዝኾኑ ብምኽንያት መንነቶም ምኻኑ ምሒር ዘስግእ ከምዝኾነ’ውን እቲ ኤምባሲ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ዘስካሕክሕ መጥቓዕቲ ግልጽን ሙሉእን መርመራ ንክገብረሉ ዝጸወዐ እቲ ኤምባሲ፣ ተሓተቲ ናብ ሕጊ ንክቀርቡ፣ ኣብ’ቲ ከባቢን ኣብ ካልእን ንዝነብሩ ሰላማዊያን ሰባት ግቡእ ሓለዋ ንክገብረሎም’ውን ሓቲቱ። ብሰንኪ ቅትለት እቶም ሰላማዊያን ሰባት ዝተሰመዐና ሓዘን ምስ ኢትዮጵያዊያንን ኣባላት ማሕበረሰብ ዓለምን እናገለጽና፣ ንስድራቤት ዝተቀትሉ ጽንዓት ይሃብኩም፣ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝቆሰሉ ምሉእ ምሕዋይ ንክረኽቡ፣ ኣብ እዋን ሓዘን፣ ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ናብ ሓደ ክመጹን ንሰላም ክጽዕሩን ንህውከት ክነጽጉን ኣተባቢዑ ኣሎ። ብዝተታሓሓዘ ዜና፣ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ ይምዕብል ዘሎ ኩነታት ከምዘሻቀሎ ኣፍሊጡ። ምክትል ፕረዚደንት ኣውሮጳዊ ሕብረት ጆሴፍ ቦረል ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ‘ኩሎም ወገናት ከምኡውን ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን፣ ንውጥረት ኣብ ምህዳእ ክሰርሓ፣ ተባራዒ መግለጺታት ከውግዳ፣ ካብ ተኹታኺ ወታሃደራዊ ምውፋራት ንክቁጠባ ኣተሓሳሲቦም። እዚ ምስ ዘይግበር ግና፣ ንኢትዮጵያ ክሕምሳን ኣብ ሙሉእ እቲ ዞባ ሓደገኛ ሳዕቤን ከምዝህልዎን ሕብረት ኣውሮጳ ሓቢሩ ኣሎ። ልዕሊ ኩሉ ግና፣ ንኩሉ ዘሳተፈ ፖለቲካዊ ልዝብን ሃገራዊ ምስምማዕን ከምዘድሊ ዝጠቀሰ ሕብረት ኣውሮጳ፣ እዚ ኣገባብ’ዚ ንኢትዮጵያ ናብ ዴሞክራሲን ምዕባለን ከምዘሳግራ ጠቂሱ። ምጭፍላቅን ሓይሊ ንምጥቃም ምፍርራሕን ግና ኣማራጺ ኣይኮነን ኢሉ። ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ መግለጺኡ፣ ንለውጢ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝድግፍ፣ እቲ ዝተጀመረ ለውጢ ክዕወት እንተኾይኑ ግና፣ ልዕልና ሕጊ ምስ ዝረጋገጽን፣ ሎም ዘበን ነጻን ርትዓዊን ተኣማኒን መረጻ ምስ ዝሳለጥን ጥራሕ እዩ ኢሉ ኣሎ። 11-03-20 U.S. - Ethiopia B.S. ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8C%8B-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%B3%E1%88%B0%E1%89%A6-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5647012.html"} {"headline":"ኣምንስቲ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ 54 ሰባት ምሟቶም ይገልጽ","content":"አምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ምዕራብ ወለጋ፣ ወረዳ ጉሊሶ፣ ጋዋ ጋንቃ ኣብ ዝተባህለ ስፍራ ዝነበሩ 54 ተወለድቲ ክልል ኣምሓራ፣ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ከምዝተቀትሉ ገሊጹ። እዚ ኣሃዝ’ዚ፣ ብመሰረት ዛጊት ዝተቆጽረ ኣስከረን ከምዝኾነ’ውን አምነስቲ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ከባቢ፣ ንሓለዋ ተዋፊሩ ዝነበረ ሰራዊት ምክልኻል ቀዳም ካብ’ቲ ቦታ ድሕሪ ምስሓቡ እቲ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ፣ ሰራዊት ኦነግ ሰንበት ነቲ ቦታ ከምዝተቆጻጸሮ፣ ህጻናትን ቆልዑን ኣረጋዊያንን ናብ ኣኼባ ትጽውዑ ኣለኹም ተባሂሎም ምስተኣከቡ፣ እቲ መጥቓዕቲ ከምዝተፈጸመ ንካብቲ መጥቓዕቲ ኣምሊጥና ዝበሉ ብምጥቃስ ኣምነስቲ ገሊጹ አሎ። ኣብ ኣምነስቲ ንጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ዝከታተል ኣቶ ፍስሃ ተክሌ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ጠንቂ እቲ መጥቃዕቲ ‘ናይቲ ከባቢ ጸጥታ ሰላማዊ ምኻኑ ብልክዕ ቅድሚ ምርግጋጹ፣ ሰራዊት ምውጽኡ ነቶም ሰላማዊያን ሰባት ንሓደጋ ኣቃሊዕዎም ኣሎ። እቲ ሰራዊት ስለምንታይ እዩ ካብቲ ከባቢ ወጺኡ? እኹል ሓለዋ ከይተገበረሎም ሰራዊት ምውጽኡ፣ ምርመራ ክግበረሉ ይግባእ’ ኢሎም። ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ኦሮምያ ኣራርሳ መርዳሳ ብወገኖም ‘ብዝሒ ዝሞቱ 32 ከምዝኾኑ’ ንመሓውራት ዜና ኣፍሊጦም። ብተመሳሳሊ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሃመት ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ዝተፈጸመ ቅትለት ብጽኑዕ ከምዝኾነንዎ ገሊጾም። ንቤተሰብ ግዳያት መልእኽቲ ምጽንናዕ ዘሕለፉ እቶም ኣቦ መንበር፣ ንዝቆሰሉ ምሉእ ሕውየት ተመንዮም። ሰበ ስልጣን’ታ ሃገር፣ ንፈጸምቲ እቲ ቅትለት ረኺቦም ናብ ሕጊ ንከቅርብዎም'ውን ሓቲቶም። ኣብ ኢትዮጵያ ንዝራኣይ ዓሌታዊ ግርጭት ዘልዐሉ ፋቂ ማሓመት፣ ኩሎም አካላት ካብ ተባራዒ መግለጺታት ክቁጠቡን ኣብ’ታ ሃገር ዝራኣይ ውጥረት ንምትህድዳእ ሓቢሮም ንክሰርሑን ጸዊዖም። ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሓመት ‘ፖለቲካዊያን ሓይልታት ኢትዮጵያ፣ ንኩሉ ኣብ ዘሳተፈ ሃገራዊ ልዝብ ንክአትውን ኣብ ዙርያ ቁልፊ ጉዳያት ናይ ሓባራዊ ምርድዳእ ንክገብሩን፣ ከምኡ እንተዘይገይሩ ግና፣ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ሙሉእ እቲ ዞባን ከቢድ ዋጋ ከኽፍሎ እዩ’ ኢሎም ። ገዛኢ ፓርቲ ክልል አምሓራ ብወገኑ ኣብ ልዕሊ ተወልድቲ ኣምሓራ ይፍጸም ንዘሎ ብሄር ተኮር ቅትለት ማሕበረሰብ ዓለም ንክኹንኖ ጸዊዑ። ነቲ ይፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ዝሕተትሉ ህወሓትን ኦነግ ሸኔን እዮም ዝበለ ፓርቲ ብልጽግና ኣምሓራ:ዝዓበየ ኣጀንዳ ህወሓት ንኢትዮጵያ ምፍራስ እዩ ክብል’ውን ከሲሱ ኣሎ። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ወረዳ ጉሊሶ ዝተፈጸመ ቅትለት፣ ብናጻ ኣካል ንክጻረ፣ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ዝመርሕዎ ግንባር ነጻነት ኦሮሞ (ኦነግ) ጸዊዑ። ኣቶ ዳውድ \"ዕለታዊ ሰባት እናተቀትሉ ንሰምዕ ኣለና፣ እንተኾነ፣ ተኸታቲሉ ንቀተልቲ ናብ ሕጊ ዘቅርብ፣ ውጽኢቱ ንህዝቢን ንስድራ ግዳያት ሓበሬታ ዝህብ ኣካል ኣይተረኸበን\"ኢሎም ። ብኣቶ ኣራርሶ ቢቂላ ዝምራሕ ፈጻሚ ስራሕ ኦነግ ብወገኑ፣ እቲ ኣብ ጉሊሶ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝተፈጸመ ቅትለት ኮኒንዎ ኣሎ። ብዝተሳሰረ ዜና፣ ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ‘ብሓይልታት ጥፍኣት ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ኣምሓሩ ዝተፈጸመ ቅትለት፣ ጭፍጨፋን ገበን ምጽናት ዓሌትን፣ ብመንግስቲ ዘየዳግም ስጉምቲ ንክወሰድ’ ሓቲቱ። ገለ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ‘ብናይ መግለጺታት ብዝሒ ዝሕለፍ ጉዳይ ኣይኮነን፣ ክንዘራረበሉ ይግባእ፣ ከምመጠን መንግስቲ፣ እዛ ሃገር ካብ ምብትታን ክነድሕና ይግባእ’ ከምዝበሉ ዝመጸ ዜና ጠቂሱ። ኣብ መንግስታዊ መሓውር ኮይኖም ምስ ሓይልታት ጥፍኣት ወጊኖም ዝሰርሑ ውልቀ ሰባት ክህልው ስለዝኽእሉ፣ ብትኩርነት ምጽራይ ከምዝግባእ ዝገለጹ ኣባላት ፓርላማ ከምዝነበሩ’ውን ሪፖርተርና ዝላኣኾ ዜና ጠቂሱ ኣሎ። ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ አብ መግለጺኦም ‘ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝተኣታተወ ለውጢ ከምዝድግፉን፣ ኢትዮጵያ ናብ ጎደና ሰላምን ህድኣትን ኣብ ትገብሮ ጻዕሪታት ሕብረት ኣፍሪቃ ከምሕግዛን’ ገሊጾም ኣለው። 11-03-20","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-54-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%BD\/5647009.html"} {"headline":"'ህወሓት ንኣምሓራ ምጥቃዕ፥  ከም ናብ ስልጣን ምምላስ ጌሩ ቖጺርዎ'ሎ'ብልጽግና ፓርቲ ክልል ኣምሓራ","content":"ብልጽግና ፓርቲ ክልል ኣምሓራ ናብ ክልል ኣምሓራ እንተሓሊፍና ፥ ህወሓት ንኣምሓራ ምጥቃዕ፥ ከም ናብ ስልጣን ምምላስ ጌሩ ቖጺርዎ'ሎ ክብል ከሲሱ ። እቲ ፓርቲ ወሲኹ ህዝቢ ኣምሓራ ኣብ ኦሮሚያ ኾነ ኣብ ካልኦት ከባብታት ዋጋ ዝኸፍል ዘሎ ብናይ ሕወሓት ኢድ ኣዙር መጥቃዕቲ'ዪ ኢሉ ። ብልጽግና ፓርቲ ክልል ኣምሓራ ኣተሓሒዙ፡ ኦነግ ሸኔ ኾነ ካልኦት ጸረ ህዝቢ ጉጅለታት፥ ብዘይ ናይ ህወሓት ናይ ፕሮፓጋንዳ፥ ዕጥቅን ፋይናንስን ድጋፍ፡ ክሳብ ክንድ’ዚ ንፈደራልን ንኽልልን ኣይመጸገሙን ኔሮም ኢሉ ። ብኻልእ ወገን፥ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ(ኣብን)፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ ኣበየ ቦትኡ ዝፍጸም ዘሎ ዓሌት ናይ ምጥፋእ ገበን፥ ደው ከብሎ ብዘይምኽኣሉ ምሉእ ንምሉእ ሓላፍነት ዝወስድ መንግስቲ' ዩ ኢሉ'ሎ። ምኽትል ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን ንመንግስታዊ ሚድያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፥ ነቲ ጸገም ዝምጥን ፍታሕ ብነባሪነት ንምምጻእ ዘድሊ ዘበለ ኩሉ ክግበር'ዩ ኢሉ። ኣተሓሒዙ፥ ልዕልና ሕጊ ንኽረጋገጽ፥ ከምኡ'ውን ንኹሎም መጥቃዕትታት ንምምካት ናይ ህዝብን መንግስትን ውሁድ ምርብራብ ብዝሓየለ መልክዑ ክቕጽል'ዩ ኢሉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%88%9D%E1%8C%A5%E1%89%83%E1%8B%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%B5-%E1%8C%8C%E1%88%A9-%E1%89%96%E1%8C%BA%E1%88%AD%E1%8B%8E-%E1%88%8E-%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%8C%BD%E1%8C%8D%E1%8A%93-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB\/5645208.html"} {"headline":"'ኣብን' ኣብ ዝጸውዖ ሰልፊ ዝተአሰሩ ሰባት ከምዘለዎ ፖሊስ ኮሚሽን ክልል ኣምሓራ ኣረጋጊጹ","content":"ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ 18 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ክልል ኣምሓራ ተፅዊዑ ዝነበረ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ብዝተሓሓዝ ዝተኣሰሩ ወልቀሰባት ከምዘለው ዘረጋገፁ ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ኣበረ ኣዳሙ ሕጂ ግን ይፍትሑ ኣለው ኢሎም። ንሶም ሰልፊ ኣብ ዝተፀውዐሉ ዕለት ክንስለፍ ኢና ዝበሉ ሒደት መናእሰይ ምስ ፖሊስ ብምግጫዎም ዝተኣሰሩ ምንባሮም ገሊፆም። ነቲ ሰልፊ ዝፀውዐ ናይ ኣምሓራ ብሄራዊ ምንቅስቓስ [ኣብን] ዝተኣሰሩ ኣባላቱ ይፍትሑ ከምዘለው ብምሕባር ዝተኣሰሩ ግን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም እናሃለው እምበር ንሰልፊ ወፂኦም ኣይኮነን ኢሉ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8B%8D%E1%8B%96-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%A0%E1%88%B0%E1%88%A9-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8E-%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%88%A8%E1%8C%8B%E1%8C%8A%E1%8C%B9\/5642410.html"} {"headline":"ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ዝመጽእ ግንቦት ክሳብ ሰነ ከምዝካየድ ቦርድ ምርጫ ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ካብ መወዳእታ ግንቦት ክሳብ መጀመሪያ ሰነ ንምክያድ መደብ ከምዝተትሓዘ ሃገራዊ ቦርድ ኮሚሽን ምርጫ ኣፍሊጡ።እቲ ምርጫ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝርከቡ ልዕሊ 50 ሽሕ ናይ ምርጫ ጣቢያታት ከምዝካየድ ሓላፊት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ምርጫ ቦርድ ወይዘሪት ሶሊያና ሽመልስ ገሊፀን። እቲ ቦርድ ሎሎሚ ዓርቢ ምስ ስቪክ ማሕበራትን ሰብ ሞያ መራኽቢ ብዙሃንን ኣብዘካይዶ መድረኽ ምኽክር ዘድልዩ ሓበሬታታት ካብ ፍርቂ ጥሪ ክሳብ ፍርቂ ወርሒ ለካቲት ንኹሉ ድልው ክኸውን ምዃኑ ተሓቢሩ። እቲ ቦርድ ቁርፅ ዝበለ መዓልቲ ዘየቐመጠሉ ምኽኒያት ዝተሓተታ ሓላፊት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ቦርድ ምርጫ ወይዘሪት ሶሊያና ሽመልስ ምስ ለበዳ ኮቪድ ተኣሳሳሲሩ ኣብ ዝተፈለየ ኩነታት ስለዝካየድ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ኣድለይቲ ዝብሃሉ ሓበሬታታት ንምርካብ እዩ ኢለን። ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ዘይሕጋዊ ዝበሎ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ምርጫ ብዝምልከት እቲ ቦርድ ዘለዎ ምድላው ዝተሓተታ ወይዘሪት ሶሊያና ሽመልስ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ኢትዮጵያ ምርጫ ንምክያድ ሓላፍነቱ ናይ ቦርድ ምርጫ ስለዝኾነ እቶም ዝተቐመጡ 50,900 ጣቢታት ናይ ትግራይ እውን ዝሓውስ ስለዝኾነ እዩ ምድላውና ኣብ መላእ እታ ሃገር ምርጫ ንምክያድ እዩ ኢለን።እቲ ቦርድ ብዛዕባ ግዜ ሰሌዳ ምስ ፖለቲካዊ ፓርትታት ምይይጥ ከምዘካይድ እውን ሓቢረን ይብል ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%BB%E1%8B%B5%E1%88%BB%E1%8B%AD-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%8A%A5-%E1%8C%8D%E1%8A%95%E1%89%A6%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%B3%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%8A%90-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%89%A6%E1%88%AD%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5642399.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ሶማሌን ምምሕዳር ድሬዳዋን ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት መሪቖም","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ሶማሌን ምምሕዳር ድሬዳዋን ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት መሪቖም።ካልኦት ፕሮጀክታት ንምስራሕ እውን እመነ ኩርናዕ ኣንቢሮም ኣለው። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ብልዕሊ ሽዱሽተ 6 ቢሊዮን ብር ዝህነፅ 388 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ መንገዲ ንምስራሕ እምነ ኩርናዕ ብምቕማጥ ኣብ ድሬዳዋ ድማ ናይ ኢንዱስቱሪ ፓርክ መሪቖም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8C%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%8B%B5%E1%88%AC%E1%8B%B3%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%80%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%AA%E1%89%96%E1%88%9D\/5640535.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ዝጸንሐ ዳህሳስን መጽናዕትን ወሰን ክልላትን መንነትን ከምዝዛዘም ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰነ ጀሚሩ ክካየድ ዝጸንሐ ዳህሳስን መጽናዕትን ወሰን ክልላትን መንነትን ዝመጽእ ግንቦት ከምዝዛዘምን እማመ ሓሳብ'ውን ከም ዘቕርብን፡ ኮሚሽን ወሰንን መንነትን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ ናብ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ዝቐርብ ሓሳብ፡ ንስኻ ግደፎ ንስኺ ግደፍዮ ብዝብል ኣካይዳ ዘይኮነስ ኣብ መጽናዕቲ ዝተመርኮሰ ከምዝኸውን'ውን ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት'ቲ ኮሚሽን ኣቶ ኣወል ሑሰን ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ'ሎ። እቲ ኮሚሽን፡ ምስ ወሰን ክልላት ብዝተሓሓዝ ንዝፍጠሩ ግጭታት መዕለቢ ንምርካብ ዝቖመ'ዩ። ኮሚሽን ጉዳይ ወሰንን መንነትን ኢትዮጵያ፥ ኣብ ጉዳይ ወሰን ክልላትን ኣብ ጉዳይ ርእስኻ ምምሕዳርን ብዝተሓሓዝ ውሳነታት ከሕልፍ`ዩ። ምስኡ ብዝተሓሓዙ ንዝልዓሉ ግጭታት`ውን ነባሪ ፍታሕ ከምጽእ ትጽቢት ይግበረሉ። ዳይረክተር`ቲ ኮሚሽን ኣቶ ኣወል ሑሰን ብዛዕባ ትሕዝቶ`ቲ መጽናዕቲ ክገልጽ ከሎ፥ እቶም ጸገማት ዝተሓላለኹ ስለዝኾኑ መጀመርያ ብዕምቆት ክልለዩ ክጽንዑን ኣለዎም ይብል። \"ንነብስወክፍ ጸገም ነናቱ ፍታሕ ቅድሚ ምሃብና፡ ናይቲ ጸገም ዕምቆትን ስፍሓትን ፈሊጥና፥ በብደርጅኡ ቀጻሊ መጽናዕትታት ክንገብር ኢና። ክልተ ወይ ሰለስተ ግዜ መጽናዕቲ`ውን ምግባር ከድልየና ይኸውን። ስለዚ መጀመርያ ሃገራዊ ዝኾነ ዳህሳስን መጽናዕትን ምስ ገበርና ኢና ናብቶም ጸገም ወሰንን መንነትን ዘለዎም ከባብታት ክንኣቱ። \" ኣብ መንጎ ክልላት ናይ መንነትን ናይ ምምሕዳር ወሰንን ሕቶ ዘለዎም፥ ዞባታት ወረዳታትን ቀበሌታትን'ውን ኣብቲ መጽናዕቲ ከም ዝካተቱ፥ ኣቶ ኣወል ኣመልኪቱ`ሎ። እቲ ዝካየድ ዘሎ ስራሕ፥ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ወሲኽካ፥ ካብ 28 ዩኒቨርሲታት ዝተዋጽኡ ልዕሊ 70 ተመራመርቲ ዝሳተፍሉ ናይ መጽናዕቲ ተግባር ምዃኑ`ውን ሓቢሩ`ሎ። እቲ ትጽቢትዝግበረሉ ውጽኢት ድማ ሳይንሳዊ ከም ዝኸውን`ዩ ዳይረክተር `ቲ ኮሚሽን ዝገልጽ፥\"እዚ ኮሚሽን ክቐውም ከሎ፡ ምናልባት ንስኻ ግደፎ ንስኺ ግደፍዮ ዝብል ምክረ-ሃሳብ ንምሃብ ተባሂሉ ኣይኮነን ቆይሙ። ብመጽናዕትን ምርምርን ብሳይናሳዊ መንገዲ ዝተደገፈ ሰሪሕና፥ ኣብ መወዳእታ ምኽሪ-ሓሳብ ክነቕርብ`ዩ ትጽቢት ዝግበር።ስለዚ እቲ መጽናዕቲ ምስ መጸ ፡ ነቲ ዝቕጽል ጉዕዞና ክሕብረና`ዩ ማለት`ዩ ።\" እቲ ውጽኢት መጽናዕቲ መኣስ ናብ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ይቐርብ ይኸውን ተባሂሉ ዝተሓተተ ኣቶ ኣወል ሑሰን፥ ተኸታታልን ተደራራቢን መጽናዕታት ስለዝካየድ፥ ውጽኢት ናይቲ መጽናዕቲ`ውን ስለዝውስኖን፡ ናብ ባይቶ ፈደረሽን ዝቐርበሉ ግዜ ንምንጻር ከምዘይክኣል ይገልጽ። እቲ መጽናዕቲ፡ ካብ ሃገራዊ ጀሚሩ፥ ድሕሪኡ ንሕቶታት ወሰንን መንነትን ህዝቢ ንምምላስ በብደረጅኡ ከምዝወርድ ኣቶ ኣወል ይሕብር። ለንቅነ`ኳ ኣብ መንጎ ኣብ ክልል ዓፋር ዝረክቡ ወረዳታት ዒሳን ሶማሌን ብዝተፈጥረ ግጭት ሰብ ሞይቱ`ሎ።ኣቶ ኣወሉ ሑሰን ኣብ ካልኦት ከባብታት ከም ኣብ መንጎ ሶማሊን ኦሮሚያን ትግራይን ኣምሓራን ዘሎ ሕቶታት እናልዓሉ ዝበጽሕዎ ደረጃ እንተሎ ክገልጽ ከሎ፥ እቲ መጽናዕቲ ካብ ዝተወሰኑ ቦታታት ምፍላይ ዝሰፍሕ ትሕዝቶ ዘለዎ`ዩ፥ ካብ መበገሲ`ቲ ጸገም ጀሚርና ምሉእ ስእሊ ሒዝና ንመጻሉ ስርሕ ኢና ነካይድ ዘለና ኢሉ። ኣብ መንጎ ሶማሌን ኦሮሚያን፥ ኣብ መንጎ ትግራይን ኣምሓራን ወይ ኣብ መንጎ ካልኦት ክልልታት ዘሎ ጸገም ንምርኣይ ጥራይ ዘይኮነስ ብደረጃ ሃገር ኢና ክንርእዮ ንፍትን ዘለና ኢሉ። ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ወሰንን መንነትን ኣብቲ ናብ ክልላት ወሪድካ ርክባት ብምፍጣር ዝግበር ስራሕ፥ ብዘይካ ክልል ትግራይን ኣብ ቀረባ ዝተመስረተ ክልል ሲዳማን ምስ ካልኦት ኩለን ክልልታት ርክብ ብምፍጣር ይሰርሑ ከምዘለዉ፥ ብፍላይ ምስ ክልል ትግራይ ብዝምልከት ግን፥ ብምኽንያት ውሳነ ቤትምኽሪ ፈደረሽን ብቐጥታ ምስራሕ ዝክኣል ምስቶም ኣብ ትግራይ ዘለዉ ዩኒቨርሲታት`ዩ ክኸውን ኢሉ ። \"ቅድሚ ሎሚ ዘይከድና ካብ ክልል ትግራይ ሰናይ ፍቓድ ስለዘይተረኽበ`ዩ። ካብ ሎሚ ንደሓር ግን ንሕና ብወግዒ ምስቲ ክልል ተራኺብና ክንቅጽል ኣይንኽእል ኢና። ግን ቤት ም​ኽሪ ፈደረሽን ብዘቐመጦ ውሳነ መሰረት ኣብ ትግራይ ምስ ዘለዉ ዩኒቨርሲቲታት ተራኺብና ክንሰርሕ ኢና ፥ንሳቶም`ውን ኣካል ናይቲ መጽናዕቲ ኮይኖም ኣለዉ። ኣብቲ ናይ ሓባር ስምምዕ ዝፈረሙ ዩኒቨርሲታት ኣለዉ ዘይፈረሙ'ውን ኣለዉ። \" ኣቶ ኣወል ሑሴን ኣተሓሒዙ፡ ንሕና ግን ኣካል ፈደራል ከም ምዃና መጠን ሓላፍነትና ብእኡ ኣገባብ ናይ ምፍጻም ግዴታ ኣለና ኢሉ። ኮሚሽን ጉዳይ ምምሕዳር ወሰንን መንነትን ኢትዮጵያ፡ ካብ ህዝቢ ዝቐርበሉ ጥርዓናትን፡ ባዕሉ ብዘካይዶ መጽናዕትን ኣብ ግምት ዘእተወ ሃገራዊ ትሕዝቶ ዘለዎ መጽናዕቲ ምስ ኣካየደ፡ እማመታቱ ንቤት ምኽሪ ፈደረሽን ከቕርብ'ዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%90-%E1%8B%B3%E1%88%85%E1%88%B3%E1%88%B5%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%8A%93%E1%8B%95%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8B%9B%E1%8B%98%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5640655.html"} {"headline":"መበል 1495 ዓመት ልደት ነብዩ መሓመድ \\መውሊድ\\ ተኸቢሩ","content":"መበል 1495 ዓመት ልደት ነብዩመሓመድ \\መውሊድ\\ ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዓብዪ መስጊድ ኣንዋር ተኸቢሩ። ናይ ኢትዮጵያ እምነት እስልምና ጠቕላሊ ቤት ምኽሪ ፕረዚደንት ሙፍቲ ሓጂ ዑመር እድሪስ ኣብቲ በዓል ኣብ ዘመሓለፉዎ መልእኽቲ ንበዓል መውሊድ ነኽብሮ ንኣስተምህሮ ነብይ መሓመድ ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ኣብነቱ ብምቕፃልን እዩ ኢሎም። ኢትዮጵያዊያን ብዓሌት ኣብ ክንዲ ምክፍፋል ሓድነቶም ከሓይሉ ፀዊዖም።ኣብቲ ስነርስዓት ዝተረኸባ ምኽትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ ብወገነን ሙስሊም ማሕበረሰብ ኣንፃር ኮሮናቫይረስ ንምምካት ዘርኣዮ ምትሕብባር ኣመስጊነን ። ብተመሳሳሊ በዓል መውሊድ ኣብ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣስመራ ብርሕቐት ምኽባሩ ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ኣብ ትዊተር ገጹ ዘስፈሮ መልእኽቲ ሓቢሩ'ሎ። ኣብቲ ስነ ስርዓት መደረ ዘስምዑ ወኪል ሙፍቲ ሸኽ ሰሊም ኢብራሂም ንኩሎም ኣብቲ ስነ ስርዓት ዝተኻፈሉ ብምምስጋን ኤርትራ ኣብ ምቁጽጻር ቫይረስ ኮሮና ትሰርሖ ዘላ ስራሕ ንምቅጻል ህዝቢ ትዕግስቲ ክገብር ጸዊዖም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%A0%E1%88%8D-1495-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%88%8D%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8A%90%E1%89%A5%E1%8B%A9-%E1%88%98%E1%88%93%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%88%98%E1%8B%8D%E1%88%8A%E1%8B%B5-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%89%A2%E1%88%A9\/5640615.html"} {"headline":"ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ፕረ.ትራምፕ ንዝሃብዎ ርእይቶ ብምቅዋም ሰልፊ አካይዶም","content":"ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንጉዳይ ግድብ ዓብይ ህዳሴ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዝተዛረቡዎ ከምዘቖጥዖም ዝገለፁ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ኢትዮጵያዊያን ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዋይት ሃውስ ናይ ተቓውሞ ድምፆም ኣስሚዖም። ኣብቲ ሰልፊ ብምስታፍ ርእይትኦም ካብ ዝሃቡ ሓደ ዕላማ ናይቲ ተቓውሞ ሰልፊ ከምዚ ክብል ገሊጹ። \"ፕረ. ትራምፕ ንልኡላዊነት ኢትዮጵያ፣ ንድሕንነት ናይቲ ህዝቢ ብሓፈሻ ንክብርና ዝትንክፍ ዝተዛረቡዎን ኵናት ዘለዓዕልን ዘጉሀይና ምዃኑን ኣብ ልኡላነት ሃገርና ኣብ መንነትና ዘይንደራደር ምዃና ንምግላፅ እዩ።\" እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ይወቅዕ ዘሎ ከቢድ ዝናብ ከይዓገቶም ተቓውምኦም ኣስሚዖም ኣለው ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8B%E1%88%BD%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%89%B0%E1%8A%95-%E1%8B%B2%E1%88%B2-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%88%9D%E1%8D%95-%E1%8A%95%E1%8B%9D-%E1%88%83%E1%89%A5%E1%8B%8E-%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%89%85%E1%8B%8B%E1%88%9D-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D\/5640559.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ኣምንስቲ ዜጋታት ሰልፊ ከይወጹ ምክልኻል ምጥሓስ መሰል'ዩ ክብል ወቂሱ","content":"ዜጋታት ንሰልፊ ከይወጹ ምክልኻል ምጥሓስ መሰል ሓሳብካ ብናጽነት ምግላጽን መሰል ናጽነት ምትእኽኻብን'ዩ ክብል ኣምንስቲ ወቂሱ። እቲ ጉጅለ ዓለምለኸ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ነዚ ውሳነ ዝሓዘ ጽሑፍ ዘውጽኣ ዓሌት መሰረት ዝገብረ'ዩ ዝተባህለ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ብሄር ኣምሓራ ዝፍጸም መጥቓዕቲ ንምኹናን ዝተጸውዓ ሰልፊ ብመንግስቲ ድሕሪ ምክልኻሉ'ዩ። ክልል ኣምሓራ ግን እቲ ሰልፊ ዝተከልኸለ ብምክንያት ጭቡጥ ስግኣት ጸጥታ'ዩ ይብል። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8A%A8%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%8C%B9-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%8C%A5%E1%88%93%E1%88%B5-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8D-%E1%8B%A9-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8B%88%E1%89%82%E1%88%B1-\/5640311.html"} {"headline":"ክልል ትግራይ:ዕስለ ኣንበጣ ዝተርኣየሎም ዞባታት ደቡብ ትግራይ ነፃ ምኻኑ ተሓቢሩ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ክመፅእ ይኽእል እዩ ክብል ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን እቲ ክልል ኣተሓሳሲቡ:: ዕስለ ኣንበጣ ካብ ዝተርኣየሎም ዞባታት እቲ ክልል ዞባ ደቡብ ትግራይ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ነፃ ምኻኑ ኣፍሊጡ:: እቲ ዕስለ ቀዲሙ ኣብ ዘይነበረሉ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ካብ ትማሊ ጀምሩ ከምዝተርኣየ ድማ እቲ ቢሮ ገሊፁ ኣሎ:: ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%95%E1%88%B5%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%8C%A3-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%8A%A3%E1%8B%A8%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8B%9E%E1%89%A3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%90%E1%8D%83-%E1%88%9D%E1%8A%BB%E1%8A%91-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5637898.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ን83 ከተማታት ተረባሕቲ ዝገብር እዩ ዝተባሃለ ፕሮጀክት ብወግዒ ተጀሚሩ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ፣ ካብ ባንኪ ዓለምን መንግስቲ ኢትዮጵያን ብዝተረኸበ 550 ሚልዮን ዶላር፣ ን83 ከተማታት ተረባሕቲ ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ዝገብር እዩ ዝተባሃለ ፕሮጀክት ብወግዒ ተጀሚሩ። ምኽትል ቀ\/ሚ ደመቀ መኮንን ሎሚ ኣብ ደሴ ብወግዒ ክጅመር ከሎ ኣብ ዝገበርዎ 2ይ ናይ ከተማታት ልምዓታዊ ፕሮጀክት ሴፍቲኔት 800 ሽሕ ዝኾኑ ኣባላት ማሕበረሰብ ተረባሕቲ ክኾኑ እዮም ተባሂሉ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%9583-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%88%A8%E1%89%A3%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%AD-%E1%8A%A5%E1%8B%A9-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%83%E1%88%88-%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%80%E1%8A%AD%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%88%E1%8C%8D%E1%8B%92-%E1%89%B0%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9\/5637887.html"} {"headline":"ኣብ መንጎ ሱዳን: ኢትዮጵያን ግብጺን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ዝካየድ ልዝብ ከምዝቅጽል ተገሊጹ","content":"ኣብ ዙሪያ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ብሽምግልና ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ግብፅን ሱዳንን ክካየድ ዝፀንሐ ልዝብ ፅባሕ ከምዝቕፅል ሓደ ላዕለዋይ ተደራዳሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣረጋጊፆም። ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ናይ እዋኑ ኣቦ መንበር ዝኾኑ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ራማፎዛ ራሞፋ ሎሚ ኣብዘውፅእዎ መግለፂ ኣብቲ ናይ ፅባሕ ልዝብ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ፣ናይ ግብፂ ፕረዚደንት ዓብዱል ፈታሕ ኣል ሲሲን ናይ ሱዳን ቀዳማይ ሚንስትር ዓብደላ ሃምዶክን ከምዝርከቡ ብትልሚ ከምዝተትሓዘ ብሉምበርግ ኒውስ ፀብፂቡ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8E-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%8C%BA%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%88%8D%E1%8B%9D%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%85%E1%8C%BD%E1%88%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5636352.html"} {"headline":"መግለጺ ቤ\/ጽ ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ንርእይቶ ፕረ.ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ","content":"ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፥ ሱዳንን እስራኤልን ምሕዝነተን ምሕዳሰን ዝሓለፈ ቐዳም ኣብ ዘፍለጥሉ እዋን፡ ንጉዳይ ዓቢይ ግድብ ሕዳሰ'ውን ኣልዒሎም ኔሮም። ምስ ቀዳሞት ሚንስተራት ሱዳንን እስራኤልን ብስልኪ ክዘራረቡ ኸለዉ'ዩ ጉዳይ ግድብ ሕዳሰ ዝተላዕለ። ትራምፕ ኣብቲ ናይ ስልኪ ዝርርቦም፡ ብዛዕባ ዓቢይ ግድብ ሕዳሰ ዝግበር ልዝብ'ውን ምስ ናይ ሱዳን ቀ\/ሚ ኣልዒሎሞ ኔሮም። ኢትዮጵያ ካብቲ ልዝብ ብምውጻኣ ግብጺ ሕጉስቲ ኣይኮነትን፡ስለዝኾነ ድማ፡ ግብጺ ነቲ ግድብ ክተፍርሶ'ያ ኢሎም። ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ኩሉ ዶብ ሰገር ወሓይዛታ ፍትሓውን ምዕሩይን ኣጠቓቕማ ከም ትኽተል ድሕሪ ምሕባር፡ኢትዮጵያውያን ንልምዓት ዘለዎም ድልየትን ቆራጽነትን ብዘየጠራጥር መልክዑ ዝተመስከረ፥ ነቲ ሓጽቢ ብሓድነት ብዝሃብዎ ድጋፍን ኣበርኽቶን'ዩ ኢሉ። ኣተሓሒዙ፡ እቲ ሓጽቢ፡ እዛ ሃገርን ኩሩዕ ህዝባን ናይ ቀደም ናብራ ምምራር ንድሕሪት ገዲፉ ነቲ ዘይክኣል ዝመስል ዝነበረ ንምጭባጥ ዝቃለሰሉ ዘሎ ናይ ለውጢ ምልክት'ዩ ኢልዎ'ሎ። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ቀዳማይ ምዕራፍ፡ ዝተኻየደ ናይቲ ሓጽቢ ምምላእ ሓደ ዝላ ንቕድሚት ምዃኑ እቲ መግለጺ ይጠቅስ። እቲ መግለጺ ወሲኹ ምስቲ ህንጸት ሓጽቢ ሕዳሰ ጎኒ ንጎኒ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ታሕታዋይ ተፋሰስ ኒል ምስ ዝርከባ ሃገራት፡ ንፍትሓዊ ተጠቃምነትን ምትሕብባርን ዘለዋ ድልየት'ውን ብዘየወላውል መንግዲ ኣርእያ'ያ ይብል ። ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ምስ ኣብ ታሕታዋይ ተፋሰስ ዝርከባ ሃገራት ተካይዶ ዘላ ልዝብ'ውን ከም ሓደ ምስክር ምዃኑ ዝጠቅስ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ቀ\/ሚ ኣቢይ፥ ይኹን'ምበር ገለ ሓይልታት ሕጂ'ውን እንተኾነ፡ ኢትዮጵያ ንዘይ-ፍትሓዊ ዝኾነ ስምምዕ ንኽትንብርከኽ፡ከም ዘፈራርሑ ጠቒሱ'ሎ። ፕረሲደንት ትራምፕ ኣብቲ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ዝገበሮ ናይ ስልኪ ዝርርብ፡ኢትዮጵያ ኣብ ፈለግ ኒል ትሃንጾ ዘላ ሓጽቢ መመንጨዊ ሓይሊ ኤለክትሪክ፡ ግብጺ ከም ተዕንዎ ብምጥቃስ፡ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት'ዩ:ምኽንያቱ ግብጺ ብእኡ ዓይነት መንገዲ ክትነብር ኣይትኽእልን'ያ ኢሉ ኔሩ'ዩ። ኣተሓሒዙ ነቲ ሓጽቢ ግብጻውያን ከዕንውዎ'ዮም፡ እዚ ድማ ቅድሚ ሎሚ'ውን ተዛሪበዮ'የ፡ ሎሚ'ውን ክዛረቦ'የ ኢሉ። ካብ ቤት ጽሕፈት ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ዝወጸ መግለጺ ብወገኑ፡ ኢትዮጵያ ከም ሓንቲ ኣብ ምምዕባል ትርከብ ሃገር፡ ብድኽነት እናተፈተነት ትርከብ ዘላ'ያ ፡ ይኹን'ምበር ሃብታም ታሪኽ ዘለዋን ልኡላውነታ ናይ ዘየድፍሩ ሓርበኛ ዜጋታትን ሃገር'ያ፡ ንምብልጻግ ዘለዋ ድልየት ድማ ብንጹር ራእይ ዝተለመት'ያ ኢሉ። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ወግዓዊፈይስቡክ ገጹ፡ ኩሎም ዜጋታት ንሃገሮም ብሓድነት ንክቖሙ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ'ሎ። ብኻልእ ወገን፡ ሚንስተር ወጻኢ ኢትዮጵያ ገዱ እንዳርጋቸው፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኣመሪካ ኣምባሳደር ማይክ ረይነር ናብ ቤት ጽሕፈቱ ኣጸዊዑ፡ ብዛዕባ'ቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝበሎ መብርሂ ከምዝሓተተ'ውን ተፈሊጡ'ሎ። ትራምፕ ነቲ ኣሰሓሓቢ ርእይቶ ዝሃበ፡ ምስ ቀዳሞት ሚንስተራት እስራኤልን ሱዳንን ብተለፎን ኣብ ዝተዘራረበሉ እዋን'ዩ። ኣቶ ገዱ ኣብቲ ምስ ኣምባሳደር ኣመርካ ዝገበሮ ርክብ፥ ፕረዚደንት ትራምፕ ብዛዕባቲ ሓጽቢን፡ ብዛዕባቲ ስሉሳዊ ልዝብን ዝሃቦ ርእይቶ ዝተጋገ'ዩ፡ እቲ ሓጽቢ ንዋሕዚ ማይ ኒል ደው ከብሎ'ዩ ዝበሎ'ውን ትኽክል ኣይኮነን ኢሉ። ንሱ ቀጺሉ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ኹናት ምእዋጅ፡ ኣብ ስልጣን ካብ ዘሎ ሓደ ፕረዚደንት ዝጽበ ኣይኮነን፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኣመሪካ ንዘሎ ዝጸንሐ ምሕዝነትን ስትራተጂያዊ ሽርክነትን'ውን ዝምጥን ኣይኮነን ኢሉ ። ንናይ መንግስታት ርክብ ብዝቕይድ ዓለም-ለኻዊ ሕጊ'ውን ተቐባልነት የብሉን ኢሉ። ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነታ ንዝፍጸሙ መጥቃዕትታት ተንበርኪኻ ኣይትፈልጥን'ያ ዝበለ ሚንስተር ወጻኢ ኢትዮጵያ፥ ንመጻኢ'ውን ኣይክትንብርከኽን'ያ ኢሉ። ካብኡ ዝተረፈ፡ ኢትዮጵያ ምስ ግብጽን ሱዳንን ክትገብሮ ዝጸንሐት ስሉሳዊ ልዝብ ንምቕጻል ድልውቲ'ያ ኢሉ። ብኻልእ ወገን፡ እስራኤልን ሱዳንን፡ ምሕዝነተን ብምሕዳሰን መግለጺ ዘውጻአ ወሃቢ ቓል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፥ ፡ እቲ ስምምዕ ምትሕብባር ኤኮኖሚን ንግድን ዘማዕብል'ዩ ኢሉ። ኣብ ዞባታት ማእከላይ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን ሰላምን ዕብየት ኤኮኖሚን ዘምጽኡ ሓዲሽ ዕድላት ክኸፍት'ዩ ዝብል ተስፋ ከምዘለዎ እቲ ዋና ጸሓፊ ምግላጹ'ውን እቲ ካብ ወሃቢ ቓሉ ዝወጸ መግለጺ ሓቢሩ'ሎ።። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%89%A4-%E1%8C%BD-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%88%9D%E1%8D%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4\/5636337.html"} {"headline":"ቁጽሪ ኣብ ወረዳ ጉራ ፈርዳ ዝተቐትሉ ሰባት 41 ምዃኖም ነበርቲ ሓቢሮም","content":"ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ቤንች ሼኮ ወረዳ ጉራ ፈርዳ ብመንነቶም መጥቓዕቲ ወሪዱና ዝብሉን ተመዛቢሎም ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓቑቦም ዝርከቡን ሰባት ሎሚ'ውን ውሕስነት የብልናን፣ ኣብ ፍርሕን ስግኣት ኣለና ኢሎም። በቲ መጥቓዕቲ ዝተቐትሉ 31 ዘይኮኑ 41 እዮም፤ ዝተመዛበሉ ድማ ኣስታት 7,000 እዮም ክብሉ ነበርቲ ሓቢሮም። ኣብዚ ሰሙን ቤትትምህርቲ ብምኽፋቱ ካብቲ ቤት ትምህርቲ ንክንወፅእንግደድ ኣለና ክብሉ እውን ሓቢሮም። ኣብቲ መጥቓዕቲ ኢዶም ኣእቲዮም ዝተባህሉ ኣርባዕተ ኣባላት ኣመራርሓ፣ሽመኛ ጣቢያታትን ሰራሕተኛታት መንግስትን ዝርከቡዎም ሓሙሽተሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ናይ ደቡብ ክልል ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ገሊፁ ኣሎ። ብረት ተዓጢቖም ኣብቲ ከባቢ መጥቓዕቲ ይፍፀሙ ነይሮም ዝተባህሉ ክልተ ሸፋቱ ስጉምቲ ከም ዝተወሰዶምን: ካብዝተቐትሉ ሓሙሽተ ኦሮምኛ ተዛረብቲ እቶም ዝተረፉ ድማ ኣምሓርኛ ዝዛረቡ እዮም ክብሉ ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ኣቶ ኣንድነት ኣሸናፊ ተዛሪቦም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B3-%E1%8C%89%E1%88%AB-%E1%8D%88%E1%88%AD%E1%8B%B3-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%90%E1%89%B5%E1%88%89-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-41-%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%91-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5636241.html"} {"headline":"ክልል ትግራይ: ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ከም ሓድሽ ንዘጣየሶም ክልተ እዝታት ተቓዊሙ","content":"ሰራዊት ኢትዮጵያ ክልተ ተወሳኺ እዝታት ከም ብሓዱሽ ምጥያሱ ምግላፁ ስዒቡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ምስቲ ክልል ብዝተተሓሐዘ ሰራዊትን ኣጽዋር ኩናትን ምንቅስቓስ ኣይከኣልን ክብል ኣብ ዘውጾ መግለጺ ኣፍሊጡ:: ሰራዊት ምክልኻል ዝወሃበኒ ወፍሪታት ብቕልጡፍ ንምፍፃም የኽእሉኒ እዮም ዝበሎም ክልተ እዝታት ከም ሓዱሽ ምጥያሱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊፁ:: መንግስቲ ክልል ትግራይ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብዘውፀኦ መግለፂ: ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መሪሕነት ዘሎ መንግስቲ ፌደራል ሰራዊት ምክልኻል ከምብሓዱሽ ክውድብ ስለዘይኽእል: \"ምስ ክልል ትግራይ ዝተኣሳሰር ውሳነታት ምውፋር፣ ምትዕርራይ ኣወዳድባን መሪሕነትን፣ ዝግበር ምንቅስቓስ ሰራዊት ኮነ ኣፅዋር ፍፁም ተቐባልነትን ተፈፃምነትን የብሉን\" ኢሉ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8A%A8%E1%88%9D-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%8C%BD%E1%88%85-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%A3%E1%8B%A8%E1%88%B0-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%8A%A5%E1%8B%9D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D\/5636225.html"} {"headline":"ነበርቲ ጉራ ፈርዳ ሕጂ'ውን ኣብ ስግኣት ከምዘለው ይገልጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ዞባ ሼኮ ወረዳ ጉራ ፈርዳ ግዳያት መጥቓዕቲ ዝኾኑ ነበርቲ ብመንነቶም ይጥቅዑ ከምዘለው ብምግላፅ ካብ መንበሪኦም ከምዝተምዛበሉ ተዛሪቦም።ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣቶ ታገሰ ጫፎ ሓዊሱ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ምስቲ ሕብረተሰብ ይመያየጡ ከምዘለው ብምሕባር ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ደጉ ኣንዳርጋቸው እቲ መጥቓዕቲ መንነት መሰረት ዝገበረ እዩ ኢሎም። ኣብ ዞባ ሼኮ ወረዳ ጉራ ፈርዳ ጣቢያ ጊንቃና ሾቢ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዝተብሃሉ ዕጡቓት ናይ ዝፈፀሙዎ መጥቓዕታት ግዳያት ዝኾኑ ሓረስቶት እቲ ከባቢ ኣዚዮም ከምዝተጎድኡን ኣብ ስግኣት ከምዝርከቡን ገሊፆም። ካብ ዝነብርሉ ከባቢ ሃዲሞም ኣብ ካሊ ከተማ ዘዕቖቡ ኣቶ ተዘራ ይማም በቲ መጥቓዕቲ ሓዎምን ሓፍቶምን ከምኡ እውን ኣርባዕተ ኣባላት ስድርኦምን ብዕጡቓት ከምዝተቐተሉ ተዛሪቦም። ‘’ብዙሕ ስድራ እዩ ተመዛቢሉኒ።ብዙሕ ስድራ እዩ ተቐቲሉኒ’’ዝበሉንሶም ’’ብዓልቲ ቤተይን ደቀይን ኣምላኽእዩ ኣትሪፉዎም።እንተኾነ ንሕና እውን ከምዝተረፍና ኣይንወስዶን ንዝረኸቡዎ ጨፍጪፎም እዮም ኢሎም’’ ብምውሳኽ። መንነቶም ክገልፁ ዘይደለዩ ካሊእ ነባራይ እቲ ከባቢ ካብቲ መጥቓዕቲ ሃዲሞም ኣብ ጀተና ቢፍትከምዝርከቡ ብምሕባር መንነቶም እናተፈለየ ተወለድቲ ኣምሓራ መጥቓዕቲ ከምዝተፈፀሞምተዛሪቦም። በቲ መጥቓዕቲ ካብ መንእሰይ ክሳብ ኣረጋዊያን፣ህፅናትን ኣዴታትን ከምዝተቐተሉ ብምግላፅ እኹል ሓይልታት ፀጥታ ናብቲ ከባቢ እንተደኣ ዘይተላኢኾም መጥቓዕቲ ከይፍፀሞም ኣብ ዝለዓለ ስግኣትወዲቕና ኣለና ኢሎም። ብተኸታታሊ ክልተ ማዕልታት ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲታት 31 ሰባት ተቐቲሎም ሓሙሽተ ሰባት ቆሲሎምን ልዕሊ 1,500 ሰባት ድማ ተመዛቢሎም ኣለው።በቲ ገበን ዝተጠርጠሩ 16 ሰባት ኣብ ቁፅፅር ምውዓሎም ኣማሓዳሪ ናይቲ ዞባ ኣቶ ፍቅሬ ኣማን ገሊፆም። እቲ መጥቓዕቲ ስዒቡ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣቶ ታገሰ ጫፎ፣ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ጀነራል ኣደም መሓመድ፣ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል እንዳሻው ጣሰው፣ናይ ሰላም ምንስቴር ድኤታ ፍሬኣለም ሽባባው፣ርእሰ ኣማሓዳሪ እቲ ክልል ኣቶ ርስቱ ይርዳውን ዝርከቡዎም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኣብ ወረዳ ጉራ ፈርዳ ምስቲ ሕብረተሰብ ምይይጥ የካይዱ ከምዘለው ተፈሊጡ ኣሎ። ብኻሊእ ወገን ምንስቴር ምንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ገዱ እንዳርጋቸው ህዝቢ ኣምሓራ ንፍትሒ፣ነፃነትን ሓቢርካ ንምንባርን ይቃለስ እንተሃለወ እውን ክሳብ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘተኣማምን ሰላምን ፍትሕን ልዕልነት ሕግን ሰፊኑ ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ኣብ ዝኾነ ይኹን ክፋል ሃገርና ብሰላም፣ብነፃነትን ደስታን ምንባር ዝኽእለላ ክትኸውን ኣይተኽኣለን ክብሉ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገፆምገሊፆም። ኣብ ክንድኡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ሓሳረ መከራ እናበዝሐ ብዘስቅቕ ኩነታት ምጭፍጫፉን ብግፍዒ ምምዝባሉን ብሰፊሑ ቀፂሉ ኣሎ ኢሎም። ካብ ጥቅምቲ ክሳብ ጥቅምቲ ኣብዘሎ ሓደ ዓመት ጥራሕ ብግልፂ ዝተዘረበና ግፍዕን መከራን ቀፂሉማእለያ ዘይብሉ ጭፍጨፋ፣ጃማልዊ ምምዝባል፣ ዕንወት ንብረትን በብሰሙኑ መርድእ ምስማዕ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ ኢሎም ኣቶ ገዱ። ስለዝኾነ እውን እቲ ጉዳይ ብስቕታ ምሕላፍ ጎዳኢ ምዃኑ ብግብሪ ንሪኦ ስለዘለና ይምልከተና በሃልቲብምሉእና ክንዘራረበሉ ይግባእ፣ኣብ ልዕሊ ኣምሓራይ ዝዓለመ ይፍፀም ዘሎ መጥቓዕቲ ብህዝቢ ከይኮነስ ብውዲት ውሑዳት ጉጅለታትን ወልቀሰባት ምዃኑ ብምርዳእ ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓባር ከሰልፍ ዝኽእል ናይ ቃልሲ ኣንፈትን ስትራተጂያዊ ሸቶን ብምሕንፃፅ ብሓባር ምንቅስቓስ ግዜ ክወሃቦ የብሉን ኢሎም ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገዱ ኣንዳርጋቸው።። ካብ ዝምልከቶም ኣካላት መብርሂ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/in-southern-ethiopia-31-people-were-killed-according-the-sate-media\/5633484.html"} {"headline":"መንግስቲ ክልል ትግራይ ፈደራል መንግስቲ ንሓረስቶት ዝወሃብ ገንዘብ ከልኪሉ ክብል ይከስስ","content":"ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሓርሶቶት ክልል ትግራይ መርሃግብሪ ሴፍትኔት ዝውዕል 285 ሚሊዮን ብር ከልኪሉ ክብል መንግስቲ እቲ ክልል ከሲሱ:: መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ጉዳይ በጀትን ካልኦት ጉዳያት ጠሚቱ ን ፌደራል መንግስቲ ዝኸስስ መግለፂ ኣውፂኡ:: ሚንስትር ገንዘብ ኢትዮጵያ ብወገኑ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ: ብመሰረት ውሳኔ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ንመንግስቲ እቲ ክልል ዝውሃብ በጀት የለን ኢሉ:: ድጎማ በጀት ንወረዳታት: ከተማታትን ጣብያታትን ዝውሃበሉ ኣሰራርሓ ከምዘዳለወ ድማ ገሊፁ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%95%E1%88%93%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%89%B6%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A5-%E1%8C%88%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%88%8D%E1%8A%AA%E1%88%89-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8B%AD%E1%8A%A8%E1%88%B5%E1%88%B5-\/5633412.html"} {"headline":"ኮለጅ ተክኖሎጂ ኢንጂነሪንግ ኤርትራ 366 ተማሃሮ ብቪርቹዋል ኣገባብ ኣመሪቑ","content":"ኣብ ኤርትራ፥ ኮለጅ ተክኖሎጂ ኢንጂነሪንግ፡ ሎሚ ን366 ተማሃሮ ብማንዛ ማለት ብናይ ቪርቹዋል ኣገባብ ኣመሪቑ። ኮለጅ ማይ ነፍሒ፥ ኣብቲ ንመበል 13 ግዜኡ ዘካየዶ ናይ ምረቓ ስነ-ስርዓት፡ ን129 ተመሃሮ ብቀዳማይ ዲግሪ ከመርቕ ከሎ፥ ን237 ተመሃሮ ድማ ብዲፕሎም ኣመሪቑ`ሎ። ተመረቕቲ ብከሚካል ኢንጅነሪን፥ ኮምፒተር ሳይንስ፥ ኤለክትሪካል፥ ከምኡ`ውን ብማዕድንን ብማሪን ባዮሎጅን ከም ዝተመረቑ፡ ነዚ ሓበረታ ብትዊተር ዝዘርግሐ ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረ መስቀል ጠቒሱ`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%88%E1%8C%85-%E1%89%B0%E1%8A%AD%E1%8A%96%E1%88%8E%E1%8C%82-%E1%8A%A2%E1%8A%95%E1%8C%82%E1%8A%90%E1%88%AA%E1%8A%95%E1%8C%8D-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-366-%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%83%E1%88%AE-%E1%89%A5%E1%89%AA%E1%88%AD%E1%89%B9%E1%8B%8B%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%89%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%89%91\/5633248.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ ኣክሱም ብምርምር ሓዱሽ ጣፍ ተዳቂሉ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ኣክሱም ብምርምር ሓዱሽ ጣፍ ተዳቂሉ። 'ኣክሱማዊት' ዝብል ሽም ዝተውሃቦ ዓሌት ጣፍ ንሸውዓተ ዓመታት ክፍተን ድሕሪ ምፅናሕ ውፅኢቱ ተረጋጊፁ'ሎ። 'ኣክሱማዊት' ጣፍ ኣብቲ ምርምር ዝተኻየደሉ ጣብያ ክሳብ 30 ኩንታል ካብ ሄክታር ከምዝርከብን ካልኦት ዝተፈላለዩ ፀብለልታታት ከምዘለዉዎ ተመራማሪ ጣፍ ኣይተ ቸኮለ ንጉሰ ገሊፆም። ምስ ኣይተ ቸከለ ዝተኻይደ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ምስማዕ ይከኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%A3%E1%8A%AD%E1%88%B1%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%9D%E1%88%AD-%E1%88%93%E1%8B%B1%E1%88%BD-%E1%8C%A3%E1%8D%8D-%E1%89%B0%E1%8B%B3%E1%89%82%E1%88%89\/5631941.html"} {"headline":"ኣብ መስርሕ ምቁጽጻር ኣንበጣ እትገልግል ማሽን ዝሰርሐ መንእሰይ መሃንድስ","content":"ኣብ ምህዞን ሰንዓን ዝነጥፍ መንእሰይ መሃንድስ ኣሕፈሮም ተኸስተ መቐጸልታ ናይ’ቲ ቅድሚ ሕጂ ዝሰርሖም ናይ ምህዞን ሰንዓን ስርሓት፡ኣብ መስርሕ ምቁጽጻር ምንፋር ዘይጀመሩ ዕስለ ኣንበጣ ዝውዕል ማሽን ስኒዑ’ሎ። እታ ማሽን ብዘይ ጸዓት ትሰርሕ ኮይና ኣብ ጽሬት ሆስፒታላትን ጎደናታትን’ውን ከምእተገልግል መሃንድስ ኣሕፈሮም ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5631886.html"} {"headline":"ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ፌደራል መንግስቲን ዘሎ ወጥሪ ምፍታሕ ሓላፍነት ኮሚሽን ዕርቀ ሰላም ኣይኮነን ተባሂሉ","content":"ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ፌደራል መንግስትን ዝተፈጥረ ወጥሪ ምፍታሕ ሓላፍነት ንኮሚሽን ዕርቀሰላም ኣይኮነን ክብሉ ሓለፍቲ ናይቲ ኮሚሽን ኣፍሊጦም።እቲ ኮምሽን ብኣዋጅ ካብ ዝምስረት ዝበዝሓ እዋን ዝወሰደሉ ንባዕሉ ናይ ምውዳብን ንስርሑ ምቸእ ኩነታት ኣብ ምፍጣርን ከምዝነበረ ገሊፆም ኣለው። ኮሚሽን ዕርቀ ሰላም ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብ መንጎ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ፌደራል መንግስትን ዝተፈጥረ ወጥሪ ንምቅርራብን ንምዕራቕን ብዛዕባ ዝሰርሖ ስርሓት ካብ ጋዜጠኛታት ሕቶ ቀሪቦም። ምኽትል ኣደመንበር እቲ ኮሚሽን ሎሬት የትነበርሽ ንጉሴ ‘’ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ፌደራል መንግስትን ዘሎ ወጥሪ ንዓና ክልቲኦም መንግስታት ቅቡልነት ዘለዎም መንግስታት እዮም።ኣብ መንጎ ፌደራልን ክልል መንግስታትን ፀግም ክፍጥር ከሎ ነቲ ፀገም ናይ ምፍታሕ ሓላፍነት ናይ ዕርቀሰላም ኮሚሽን ሓላፍነት ኣይኮነን።ብግልፂ ብሕጊ ንቤት ምኽሪ ፌደረሽን ዝተውሃበ እዩ’’ ኢለን። ንሰን ከም ዜጋን ከም ገለልተኛ ኮሚሽንን ስኽን ኢሎም ክዘራረቡ ናይ ምሕታትን ንምዝርራብ ገለልተኛ ኣካላት እንተድኣ ኣድልዩዎም ድልውነትና ንዝምልከቶም ኣካላት ብዕሊ ኣፍሊጥና ኢና ኢለን። ሊቀ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያን ኣቦ መንበር ናይቲ ኮሚሽንን ካርዲናል ኣባ ብርሃነየሱስ ሱራፍኤል እውን ስራሕ ዕርቀሰላም ኮሚሽን ዕርቀሰላም ኣብ መንጎ ህዝብታት እዩ ምስ በሉ \"ኣብ መንጎ ህዝብታት ዘይምርድዳእ ክህልው ከሎ፣ቅርሕንቲ ክህልው ከሎ፣ግጭታት ክህልው ከለው ነቲ ህዝቢ ብኽልቲኡ ወገን ብምዝርራብ ሰሚዕኻ ሰላምን ምርድዳእን ንምምፃእ እዩ እቲ ፃዕሪ።መንግስቲ ምስ መንግስቲ ክኸውን ከሎ ድማ መንግስታዊ መንገድታት ኣለው’’ኢሎም። ዋላኳ ንኮምሽን ዕርቀ ሰላም ዘይምልከቶ እንተኾነ እውን እቲ ኮሚሽን በብክልሉ ብምኻድ ምስ መራሕቲ ክልላት፣ከምኡ እውን ናብቲ ህዝቢ ብምውራድ ናይ ክልላት መራሕቲ ሃይማኖት ዓበይቲ ዓድን ኣዘራሪቡ እዩ መፂኡ፤ኣብ ትግራይ እውን ከምኡ እዩ ተገይሩ ኢሎም። እቲ ኮምሽን ክንድ'ቲ ዝድለ ኣይሰርሕን ንዝብል ሕቶ መልሲ ዝሃባ ሎሬት የትነበርሽ ኣብ ካልኦት ሃገራት ከምዝግበር እቲ ኮሚሽን ብሕጊ መዳይ ይኹን ካልኦት ኣገባባት ዝተመቻቸወ ኩነታት ከምዘይተዳለወሉ ሓቢረን። ኣብ ናይ ብሄራዊ ምርድዳእን ሓድነትን ከምዝስራሕን ምርድዳእ ክፍጠረሎም ኣብ ዝብሃሉ ቁልፊ ጉዳያት ተወዳዲና ንምስራሕ ቅድመ ምድላዋትና ዛዚምና ኣለና ኢለን ኣለዋ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/reconciling-tigray-regional-government-and-federal-government-is-not-ethiopia-reconciliation-commission-said-leaders-of-the-commission\/5631684.html"} {"headline":"ውድብ ብልፅግና ትግራይ ወራር ኣምበጣ ንምምካት ኮሚተ ምጥያሱ ገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ዕስለ ኣንበጣ የበፀሖ ዘሎ ጉድኣት ንምክልኻል ብምባል ውድብ ብልፅግና ትግራይ ኮሚቴ ኣጣይሸ ክብል ገሊፁ:: እዚ ኮሚቴ ሓገዘ ገንዘብ​ ዘተኣኻኽብ ኮይኑ ፅባሕ ድማ መድረኽ እቶት መተኣኻኸቢ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከካይድ እዩ ተባሂሉ::​ ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል​:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%8D%85%E1%8C%8D%E1%8A%93-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%88%E1%88%AB%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A0%E1%8C%A3-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8A%AB%E1%89%B5-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B0-%E1%88%9D%E1%8C%A5%E1%8B%AB%E1%88%B1-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5630652.html"} {"headline":"ክልል ትግራይ: ኣብ ምክልኻል ዕስለ ኣምበጣ ዝወፈሩ ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያዊያንን","content":"ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ክልል ትግራይ ንምክልኻል ኣብቲ ክልል ዝነብሩ ኤርትራውያን ምስ ተጋሩ ብሓባር ብምዃን ይሳተፉ ኣለዉ:: ብሓባር ኮይኖም እቲ ዕስለ ኣንበጣ ምክልኻሎም ዘለዎ ረብሓን ብተወሳኺ ድማ ዘለዎ ትርጉም ጠሚቱ ክልተ ሰባት ኣዘራሪብና ኣለና ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%8B%95%E1%88%B5%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A0%E1%8C%A3-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%8D%88%E1%88%A9-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95%E1%8A%95\/5630648.html"} {"headline":"ፋኦ: ወራር ዕስለ ኣንበጣ ምብራቅ ኣፍሪቃ ኣብ ቁፅፅር ክውዕል እዩ ኢሉ","content":"ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት\/FAO\/ ንምብራቕ ኣፍሪቃ ዝወረረ ከቢድ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ መወዳእታ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ናይ ኣውሮጳዊያን ኣቆፃፅራ ኣብ ቁፅፅር ክውዕል እዩ ኢሉ። ኣብ ውሽጢ ርብዒ ክፍለ ዘመን ዝተራእየ እዚ ዕስለ ኣምበጣ እቲ ዝኸፍአ ወራር ምዃኑን ኣብ ዘራእቲ ናይቲ ዞባ ሓረስቶት ከምዘዕነወ ሕቡራት ሃገራት ገሊፁ ኣሎ። ድሕሪ ኣንበጣ ክራባሕ ጥጡሕ ባይታ ዝፈጠር ንነዊሕ ኣዋርሕ ዝፀንሐ ከቢድ ዝናብ ኢትዮጵያ ምህርቲ ኣብ ምእካብ ትርከብ። ብመሰረት ውድብ ምግብን ሕርሻን \/FAO\/ 15 ጥቅምቲ ዘውፅኦ ዳሕረዋይ ገምጋም ኣብ ቀረባ ኣብ ምብራቕ ኣምሓራ፣ ደቡብ ምብራቕ ትግራይን ምብራቕ ኦሮሚያን ኣንበጣ ኣብ ልዕሊ ዘራእቲ ሰፊሕ ዕንወት ኣውሪዱ። ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ክልል ሶማሌ ከምኡ እውን ኣብ ኬኒያን ኡጋንዳን እውን ስግኣት ወራር ኣንበጣ ስኽፍታ ኣሕዲሩ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ፕሮግራም ኦፊሰር ጃኮፖ ዳመሊዮ እኹል ፀረ ባልዕ መድሓኒት ምህላውን መድሓኒት ዝንፅጋ ነፈርቲ ይመፅኣ ብምህላወንን እኹል ገንዘብ እውን ብምምዳቡን ዕዉት መወዳእታ ዓመትክኸውን ተስፋ ኣሕዲሩ ኣሎ። ‘’ኣብ ፍርቂ ሕዳር ካብ 9 ክሳብ 10 ነፀግቲ ነፈርቲ ክህልውና እየን።ኣብ መወዳእታ ወርሒ 2020 ኣብ ምቁፅፃር ባልዕ ዓብይ ምዕባለ ክንሪኢ ኢና’’ ኢሎም ዳመሊዮ። ኣብ መጀመሪያ ሰሙን ጥቅምቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተገዝኣ ክልተ ነፀግቲ ነፈርቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዓቐብን ቁልቁልን ዝበዝሖ ጎቦታት ንምብራር ተፀጊመንተሓምሺሸን።ኣብ ክልቲኡ ሓደጋ ሞት ኣጋጢሙ እንተኾይኑ ግን ሪፖርት ኣይቀረበን። ናይ ፋኦ ነፋሪት እውን ብሰንኪ ቴክኒካዊ ፀገም ተቐሚጣትርከብ።ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ስራሕ ትርከብ ሓንቲ እያ። ናይ ምቁፅፃር ስርሒት ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ሓደ ሚሊዮን ቶን ዝግመት ዘራእቲ ከምዝድሓነን እንስሳት ብምርባሕ ዝናበሩ ፍርቂ ሚሊዮን ሰባት ድማ እንስሳቶም ምቅላቦም ቀፂሎም ከምዘለውንዳመሊዮ ይገልፁ። ኣብ ምንስቴር ሕርሻ ዳይረክተር ሓለዋ መሬት ታምሩ ከበደ መንግስቲ ካብ ኣንበጣ ንምክልኻል ንዝሰርሑ ሓረስቶት ይሕግዝ ኣሎ ኢሎም። ሓረስቶት ጡሽን ድምፅን እናተጠቐሙ ኣንበጣ ካብ ገርሁቶም ከምዘባርሩ ዝገለፁ ኣቶ ታምሩ ምንስቴር ሕርሻ ናይ መከላኽሊ መሳርሒን ብኢድ ዝሰርሕ መንፅጊን ከምዘከፋፈለ ገሊፆም። ኣብ ኢትዮጵያ ውድብ ምግብን ሕርሻን 47.3 ሚሊዮን ዶላር ረኺቡ ኣሎ።እዚ ድማ ክሳብ ዝቕፅል መጀመሪያ ዓመት ንዝህሊ ስራሕ ዝሽፍን እዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/fao-expects-to-control-east-africa-locust-invasion-by-year-end\/5630312.html"} {"headline":"ፕረ. ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ዝርከቦም ጥርጡራት ገበን:ብቕልጡፍ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ጻውዒት ቀሪቡ","content":"ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽርን ካልኦት ብገበን ኲናትን ጃምላዊ ህልቂት ዳርፉርን ተጠርጢሮም ዝድለዩ ዘለው ላዕለዎት ሰበስልጣን ሱዳን ነበር ብቕልጡፍ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ክቐርቡ ከምዝግባእ ዋና ኣኽባር ሕጊ እቲ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ጸዊዓ። ፋቱዋ ቤን ስዑዳ ዝተባህለት ዋና ኣኽባር ሕጊ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ነዚ ጻውዒት ዘቕረበት: \"ታሪኻዊ\" ንዝተባህለ ምብጻሕ ኣብ ካርቱም ርእሲ ከተማ ሱዳን ኣብ ተካይደሉ ዘላ ምዃኑ'ዩ። እቲ ኣብ ሕጊ ናይ ምቕራብ መስርሕ ክልተ ኣማራጺታት ዘለዎ ምዃኑ ብምጥቃስ: እቲ ቀዳማይ ኣብ ሱዳን ነዚ ጉዳይ ዝርኢ ፍርዳዊ መስርሕ ኣብ ሱዳን ከምዝኸውን ምግባርን ወይ ድማ ዝተዛነቐ መድረኽ ፍርዲ ምምስራት ኣብ ዝብሉ ምስ ሰበ ስልጣን ሱዳን ዝርርብ ከምዝተገብረሉ እታ ዋና ኣኽባር ሕጊ ብተወሳኺ ኣፍሊጣ። No media source currently available \" ብዝገበርናዮ ግሉጽ: ቅኑዕ ከምኡውን ሃናጺ ርክብ ተተባቢዐ እየ። ብሰበስልጣን ብፍላይ ድማ ካብ ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ ንክሕግዙናን ክድግፉናን ዝተገልጸልና ድማ ሓንጎፋይ ኢለ ይቕበሎ \" ክትብል ዋና ኣኽባር ሕጊ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ፋቱዋ ቤን ስዑዳ ኣፍሊጣ። ካብ 2003 ኣትሒዙ ዝዓረገ ጃምላዊ ህልቂት ዳርፉር: ልዕሊ 300 ሽሕ ሰብ ከምዝቐተለን: 2.5 ሚልዮንን ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝመዛበሉ ከምዝገበረን እዩ ዝሕበር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8B%91%E1%88%98%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%89%A0%E1%88%BD%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%8C%A5%E1%88%AD%E1%8C%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%89%95%E1%88%8D%E1%8C%A1%E1%8D%8D-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%85%E1%8C%89%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%AD%E1%89%90%E1%88%AD%E1%89%A1-%E1%8C%BB%E1%8B%8D%E1%8B%92%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%88%AA%E1%89%A1\/5630242.html"} {"headline":"ኤርትራዊያን ንሓረስታይ ትግራይ ኣስታት 48 ሽሕ ዶላር ኣኪቦም","content":"ካብ ዴንቨር ኮሎራዶ፣ ዩናይትድ ስቴትስ ኣሜሪካ እስጢፋኖስ ኣርኣያ ‘ኣብ ትግራይ ዝወረደ ዕስለ ኣንበጣ፣ ድራር ዕለቱ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ እናጠፍአ ምስ ራኣና ናብ ተግባር ተበጊስና’ ይብል። እስጢፋኖስ ወሲኹ ‘ሓረስታይ ትግራይ ስደራ ቤትና እዩ፣ እቲ ህዝቢ ህዝቢና እዩ’ ኢሉ ይገልጾ። ካብ ሰይንት ሉኢስ ሚዙሪ ዩናይትድ ስቴትስ ኣስፋሃ ገ\/መድህን ብወገኑ ‘ምትእኽኻብ ገንዘብ ብክልተ ሰለስተ መገዲ ቀጺሉ ከምዘሎ፣ ሸቶና ንጊዚኡ 60 ሽሕ ዶላር ኮይኑ ኣሎ’ ይብል። ኮሚኒቲታት ትግራይን ኤርትራን ተራሓሒቁ ከምዝነበረ ዝሕባእ ኣይኮነ። እዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንክትቀራረቡ ዝሓገዘኩም’ዶ ይመስለካ? ንዝብል ሕቶ ኣስፋሃ ክምልስ ከሎ ‘እቲ ህዝቢ ባዕሉ መልሲ ይህብ ኣሎ። ባዕሉ ህዝቢ እዩ ቀዲሙና ጸኒሑ፣ ጅምር ምስ ኣበልና ልዕሊ ትጽቢትና ገንዘብ ምትእኽኻብ ቀጺሉ’ ይብል። ካብ ዴንማርክ ትእማር ሰለሞን ‘ኣዴታት ትግራይ ኣዴታትና እየን። ኣብ’ዚ መደብ ምትእኽኻብ ገንዘብ ክሳተፍ ምስተዓደምኩ ብሓጎስ እየ ተቀቢለዮ’ ኢላ። ካብ ስዊዘርላንድ የማነ ዮሃንስ ብወገኑ ዕላማ ምትእኽኻብ ገንዘብ ንሓረቶት ትግራይ ሰለስተ ዕላማታት ኣለዎ ይብል። ቀዳማይ፣ ህዝቢ ትግራይ ለዋህ ህዝቢ ኣዕቋቢናን ገባሪ ጽቡቅናን እዩ ኢለ እየ ዝኣምን ስለዚ ኣብ ጊዜ ጸገሙ ምሕጋዝ ይግበኦ እዩ ባሃላይ እየ፣ ካልኣይ፣ ንሕና ኤርትራ ከም ህዝቢን ሕ\/ሰብን ናይ ምትሕግጋዝ ስልጡን ባህሊ ንምርኣይ የኽእለና። ስልሳይ፣ ብዝተፈላለየ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ ህዝቢ ንዝላዓሉ ኣሉታዊ ነገራት ንምድምሳስ ስለዘሐገዝና እዩ’ ኢሉ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/eritreans-support-to-tigrians-farmers-victims-of-locust-\/5629108.html"} {"headline":"ዞባ ወላይታ ናይ ባዕሉ ክልል ንምእዋጅ ምንቅስቃስ ከምዝገበረ ኮሚሽን ፈደራል ፖሊስ ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ደቡብ ክልል ዞባ ወላይታ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ብምፍራስ ናይ ባዕሉ ክልል ንምእዋጅ ምንቅስቓስ ከምዝገበረ ኮሚሽን ፈደራል ፖሊስ ኣፍሊጡ። ምኽትል ኮሚሽነር ፖሊስን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምርመራ ገበንን ዘለኣለም መንግስቴ ነዚ ኣብ ልዕሊ ዝፍፀሙ ናይ መንግስቲ ሰበስልጣንን ወልቀሰባትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምውዓሎምን ክሲ ከምዝምስረትን ገሊፆም። ንሶምወሲኾም ሕጊ ናይ ምኽባር ሓላፍነት ሕጋዊ ኣብ ዝኾነ ፖሊስ እምበር ኣብ ኢድ ዘይስሩዓት ጉጅለታት ክወድቕ ኣይንፈቅድን ኢሎም። ናይ ህዝቢ ሕቶ ንምምላስ ክብሉ ኣቶ ዳጋቶ ኩንቤ ሓዊሱ ካልኦት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ መራሕቲ ናይቲ ዞባ ንዘካየዱዎ ምንቅስቓ ዝድግፉዎም ኣካላት ድማ ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑን ናይ ህዝቢ እዩ ዝበሉዎ ናይ ምውዳብ ሕቶ ክምለስን ኣብ ምሕታት ይርከቡ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%AD%E1%89%B3-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%A3%E1%8B%95%E1%88%89-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8C%85-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%B5%E1%89%93%E1%88%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5628999.html"} {"headline":"ክልል ትግራይ: ወራር ኣምበጣ ዘብጽሖ ጉድኣት ንምንካይ ዘራእቲ ናይ ምእካብ ስራሕ ይካይድ ከምዘሎ ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ዝተራእየ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ልዕሊ ዘራእቲ ዘብፅሖ ጉድኣት ንምክልኻል ዘበፅሑ ዘራእቲ ናይ ምእካብ ስራሕቲ ይፍፀም ኣሎ ክብል ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን እቲ ክልል ኣፍሊጡ:: እቲ ቢሮ ከምዝሓበሮ ዘበፅሑ ዘራእቲ ኣብ ምዕፃድን ምእካብን ነበርቲ እቲ ክልል ናብ ግራት ሓረስቶት ብምኻድ ይሕግዙ ኣለዉ ኢሉ:: እቲ ዕስለ ኣምበጣ ክሳብ ሎሚ መዓልቲ ኣብ 29 ወረዳታት ተዛምትቱ ይርከብ ተባሂሉ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%88%E1%88%AB%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A0%E1%8C%A3-%E1%8B%98%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%88%96-%E1%8C%89%E1%8B%B5%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%8A%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%8A%A5%E1%89%B2-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8B%AD%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5628807.html"} {"headline":"ግብረ መልሲ ክልተ ፓርቲታት ንዘተ ቀ\/ሚ ኣብይ ምስ አባላት ፓርላማ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብፈጻሚ ኣካል ዝቐርብ ናይ ስራሕ ኣፈጻጽማ ሪፖርት ብጥንቃቐ ምርኣይን ምምርማርን ይግባእ ክብሉ ፥ መራሕቲ ተወዳደርቲ ፓርትታት ኣገንዚቦም። ፖለቲካዊ ምሕደራ ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ፥ ኣሳታፍነት ይጎድሎ`ዩ ዝበሉ እቶም መራሕቲ ተቓወምቲ ፓርትታት፥ ንቁጠባ`ታ ሃገር ኣብ ምብርባርን ኣብ ኣፈጻጽማ ፕሮጀክትታትን ዘርኣዮ ስጉምትታት ግን ዝምስገን`ዩ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%88%8B%E1%88%9B\/5628781.html"} {"headline":"\"ፈደራላዊ መንግስቲ : ህዝቢ ትግራይ ንክጠሚ ምስ ኣንበጣ ወጊኑ ይስርሕ ኣሎ\" ዶ\/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል","content":"ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፥ ህዝቢ ትግራይ ንክጠሚ ምስ ኣንበጣ ወጊኑ ይስርሕ ኣሎ ክብል ፕረዚደንት እቲ ክልል ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ከሲሱ:: ዶክተር ደብረፅዮን እዚ ዝበሉ ካልኣይ ዙር ፍሉይ ኮማንዶ ትግራይ ትማሊ ኣብ ዝተመረቕሉ እዋን እዩ:: ሙሩቓት ኮማንዶ ሰላም እቲ ክልል ኣብ ምሕላው ክሰርሑ እቶም ፕረዚደንት መልአኽቲ ኣሕሊፎም:: ሚንስትር ሕርሻ ፌደራል ብወገኑ ህዝቢ ትግራይ ንክጠሚ ከምዘይሰርሕ ይፍለጥ እዩ እዩ ድሕሪ ምባል: ኣብ ጉዳይ ምክልኻል ኣንበጣ ድማ ንክልል ትግራይ ክሳብ ሎሚ መዓልቲ ድጋፍ ንህብ ኣለና ኢሉ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%8C%A0%E1%88%9A-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%8C%A3-%E1%8B%88%E1%8C%8A%E1%8A%91-%E1%8B%AD%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%8D%85%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%9A%E1%8A%AB%E1%8A%A4%E1%88%8D\/5627660.html"} {"headline":"ሚ.ሕርሻ ኤርትራ  ንወራር ኣንበጣ ናይ ምክልኻልን ምቁጽጻርን ውሁድ ስራሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ","content":"ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ንወራር ኣንበጣ ናይ ምክልኻልን ምቁጽጻርን ውሁድ ስራሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ። ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ብደረጃ ሃገር፡ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ወራር ኣንበጣ ኣቑሙ፥ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝሳገምን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝጽፈን ዕስለ ወራር ኣንበጣን ኣብ ዘራእትን መጋሃጫን ጉድኣት ከየውረደ ንምቁጽጻሩ ዝሕግዝ ስትራቴጂ ሓንጺጹ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ`ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣብ 6,000 ሄክታር ዝተራእየ ዕስለ ኣንበጣ ብዝተገብረ ውሁድን ኣድማዕን ስራሕ፥ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት ኣብ ቁጽጽር ከምኣተወ ኣብቲ ሚኒስትሪ ሓላፊ ኣሃዱ ሳገምቲ ባልዓት ኣቶ ቴድሮስ ስዩም ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ወራር ኣንበጣ ናብ ኤርትራ ናይ ምስጋር ሰፊሕ ተኽእሎ ስለዘለዎን ንምምካቱ ኣድላዪ ምድላዋት ተጻፊፉ ከምዘሎን`ውን ኣቶ ቴድሮስ ሓቢሩ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%88%95%E1%88%AD%E1%88%BB-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%95%E1%8B%88%E1%88%AB%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%8C%A3-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%8C%BB%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%8B%8D%E1%88%81%E1%8B%B5-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8B%AD%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5627654.html"} {"headline":"ንሓረስቶት ግዳያት ኣንበጣ 'ኣለናልካ' ዝበሉ ዳያስፖራዊያን ልዕሊ 29 ሚልዮን ቅርሺ ኣዋህሊሎም","content":"ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝነብሩ ዳያስፖራ ተጋሩን መሓዙቶምን ኣብ ትግራይ ብዕስለ ኣንበጣ ንዝተጎድአ ሓረስታይ ንምሕጋዝ ክልተ ዙር ምትእኽኻብ ገንዘብ ብቪድዮ ኮንፈረንስን ብ ‘Gofundme’ ን ኣስታት 800 ሽሕ ዶላር ወይካኣ 29 ሚልዮን ቅርሺ ክሳብ ሎሚ ሶኒ ኣኪቦም ኣለው። ከካብ ከባቢኡ ዝዋጻእ ገንዘብ ኣብ ሓደ ካዝና ከምዝኣትው ዝገለጸ ኣቦ መንበር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ መስፍን ረዳ፣ እቲ ምትእኽኻብ ገንዘብ ልዕሊ ትጽቢቱ ከምዝኾነ ይዛረብ። ኣብ’ዚ ወፍሪ ምስ መስፍን፣ ኣቢስንያን ብርሃነን ትነጥፍ ዘላ መዓዛ ግደይ ብወገና ‘እቲ ምትእኽኻብ ገንዘብ ጽቡቅ ውጽኢት ከምዝተረኸበሉን፣ ኣብ ሕጺር እዋን ኣፋሊጥና ዝገበርናዮ መኣዲ ቪድዮ ኮንፈረንስ (ዙም) ልዕሊ ትጽቢታ ገንዘብ ከምዝተረኸበሉ’ ጠቂሳ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/tigrians-diaspora-and-friends-raised-millions-of-birr-for-desert-locust-victims\/5627529.html"} {"headline":"'ርክባት ፍፀምቲ ኣካልት ትግራይን ፌደራል መንግስትን ብሕጊ ጥራይ ይፍታሕ ' ቀ\\ሚ ኣብይ ኣሕመድ","content":"ኣብ መንጎ ናይ ትግራይ ቤት ምኽሪ ዝለዓለ ፈፀምቲ ኣካላትን ፌደራል መንግስትን ዘሎ ኣፀጋሚ ርክብ ሕጊ መሰረት ብዝገበረ ኣሰራርሓ ጥራሕ ከምዝፍታሕ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ገሊፆም።ኣብዚ ሕዚ እዋን ንልኡላውነት ሃገር ንምኽባር ዝተማልአ ድልዉነት ከምዘሎ እውን ንኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣረጋጊፆም።ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 6.1 ሚእታዊ ቁጠባዊ ዕብየት ከምዘመዝገበት እውን ዕላዊ ገይሮም ኣለው። ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ንዝቐረቡሎም ሕቶታት መልሲ ሂቦም ኣለው።ኣብ መንጎ ፈፀምቲ ኣካላት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይን ፌደራል መንግስትን ዘሎ ርክብ ምሕርፋፍ ናብ ሓደጋ ፀጥታ ከይሰጋገር ይስራሕ ብዛዕባ ዘሎ ተሓቲቶም ህዝቢ ትግራይ ከም ካሊእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሰላም፣ልምዓትን ዴሞክራስን ናይ ምንባር መሰል ኣለዎ ኣብ ዝለዓለ ፀገም ድኽነት ዝርከብ ህዝቢ እዩ ኢሎም።መንግስቲ ፌደራል ነዚ ኣብ ግምት ዘእትወ ስራሕ ክሳብ ሎሚ ኣብ ምስራሕ ዝርከብ ዘሎ ህዝቢ ኣለኒ ብዝብል እዩ ምስ በሉ። ‘’ዘየድልዩ 10፣15፣20 ውልቀሰባት ኣለው ከይኮነስ ብሚሊየን ዝቑፀር ብዓል መሰል እንቃለሰሉ ኣድላይ ዜጋ ኣለና ኢልና ኢና ንሰርሕ ዘለና’’ኢሎም።ንቕድሚት እውንከምዚ ክቕፅል እዩ ዝበሉ ንሶም ‘’ኣብኡ ምስ ዘሎሓይሊ ግን ብሕግን ሕግን ጥራሕ ዝምለስ ይኸውን።ቤት ምኽሪ ፌደረሽንን ቤት ምኽሪ ወከልትን ዝውስኖ ውሳነ ፈፃሚ ኣካል ከፈፅም እዩ።ኩሉ ነገር መልክዕ እናሓዘ መፍትሒ እናረኸብ ክኸይድ ተስፋ ይግበር’’ ኢሎም ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ። ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ዘሎ ናይ ሰላምን ድሕነት ተሓቲቶም ክምልሱ ከለው ድሕሪ እቲ ለውጥ ናይ ሰላም ድሕነትን ኣኽበርቲ ኣካላት ዳግም ንምውዳብ ዝተወስዱ ስጉምትታት ብምዝርዛር ሎሚ ሓይልታት ምክልኻልን ፌደራል ፖሊስን ንልኡላውመት እታ ሃገር ካብ ዝኾነ ይኹን መጥቓዕቲ ዝከላኸል ቁመና ፈጢሮም ኣለው ኢሎም። ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣብ ቤንሻጉል ጉሙዝ ህይወት ብዙሓት ዜጋታት ዘጥፍአን ብዛዕባ ተደጋገምቲ መጥቓዕትታትን ዝተሓላለኸ ምዃኑ ብምግላፅ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ምስ ሰሜን ድቡብን ሱዳን ስለዘዋስን ካብ ብሉናይል እናኣተው ምስቲ ጉዳይ ርክብ ናይ ዘይብሎም ዜጋታት ህይወት ኣብ ሓደ ኣውዲቖም ኣለው እዚ ብዙሓት ተዋሳእቲ ዝሓዘ እንተኾነ እውን ዝለዓለ ብፅሒት ምስ ህዳሴ ዝተሓሓዝ እዩ መንግዲ ህዳሴ ምስ ምብታኽን ዝተኣሳሰረ እዩ ኢሎም። ምስ ለበዳ ኮቪድ ተኣሳሰሩ ዝድለ ሃገራዊ ሸቶ ቁጠባ እንተዘይተመዝገበ እውን ከም መንግስቲ እናተኸላኸልና ኣብ ዓለም ኣብ ሒደት ሃገራት ዝተምዝገበ ቁጠባዊ ዕብየት ኣሪኢና ኢሎም። ኣብ ዓለም ኣዚየን ሒደት ሃገራት ዘመዝገብኦ ኣብ ኣፍሪካ ይኹን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ጥራሕ ዝተርኣየ ኣወንታዊ ዕብየት እቲ ዝለዓለ ዝብሃል 6.1 ሚታዊ ቁጠባዊ ዕብየት ክተመዝግብ ክኢላ እያ ኢሎም። ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምምካት መንግስቶም ፈፂሙዎ ዝበሉዎ ስራሕቲ ብዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ሂቦም ኣለው። ናይ ምክልኻል ስራሕ እንተድኣ ተዓዊቱን እቲ ጉድኣት ኣብዘለዎ እንተድኣ ተዓጊቱን ኣብ ምህርቲ ዘምፅኦ ጉድለት ትሕቲ ሓሙሽተ ምእታዊ ከምዝኸውን ተዛሪቦም ኣለው። ኣብዚ ዓመት ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝኸፈታ እውን ሓቢሮም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-registers-6-1-percent-economic-growth-lat-budget-year-pm-said\/5627347.html"} {"headline":"'ምብፃሕ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ኢትዮጵያ መድረኽ ምትሕብባር ዘሕይል'ዩ' ዲና ሙፍቲ","content":"ፕረዚደንት ኤርትራ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየዱዎ ናይ ስራሕ ዑደት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዘካይድኦ ምትሕብባራት: መድረኽ ርክባት ከምዝፈጥር ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ተዛሪቦም።ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ልዕሊ 900 ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ምምላሶም እውን ገሊፆም። ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ሰላማዊ ርክብ ግቡእ ኣፍልጦ ክወሃቦ ከምዝግባእ ኣረዲኦም። ዘይምዕዳል ኮይኑ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ኣሓት ህዝብታት ቅድሚ 20 ዓመታት ናብ ግጭት ኣትዮም ደም ምፍሳሶም ግቡእ ኣይነበረን፤ ድሕሪኡ ድማ ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት ንዓመታት ዓብይ ጉድኣት ከምዘስዓበ ሓቢሮም።ቅድሚ ክልተ ዓመታት ዝጀምረ ርክብ ግን ነዚ ቀይሩዎ ኣሎ ኢሎም። ብክልቲኡ ወገን ናይቲ ሰላም ደረጃ ኣይዓበየን እንተተባህለ እውን ናይ ክልቲኦም መራሕቲ ርክባት ንመፃኢ ርክባት መሰረት ዘደልድል እዩ ኢሎም። ኣብዚ ሰሙን ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየድዎ ዑደት እውን ናይዚ ኣካል እዩ ኢሎም። እቶም ፕረዚደንት ናብዚ መፂኦም ንግድብ ህዳሴ እውን ሓዊሱ ናይ ልምዓት ከባቢታት ተዓዚቦም ኣለው።እዚ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ክህልው ዝኽእል ርክብ ኣበየናይ ዓዉዲ ክተሓባበሩ ከምዝኽእሉ፣ሓቢሮም ክሰርሑ ከምዝኽእሉ ዘርኢ መድረኽ እዩ ኢሎም።ንሶም ብምውሳኽ ኣብ መንጎ መራሕቲ ተደጋጋሚ ዝፍጠር ምቅርራብ ኣብ መንጎ ሃገራት ንዝፍጥረ ርክብ መስረት እዩ ዝኸውን:ስለዚ በዚ መንፅር እቲ ዑደት ብሃናፃይነቱ ምርኣይ እዩ ዝሓይሽ ኢሎም ። ኣምባሳደር ዲና ብኮቪድ ዝተቋረፁ ካብ በረራ ጀሚሩ ክሳብ ናይ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ርክባት ምስ ተመዓረረዩ ምስ ኤርትራ ዘሎ ርክብ ክመዓራረይ ይኽእል እዩ ኢሎም ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ዘካየድዎ ዑደት ብዝምልከትን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ክፍጠር ዝድለ ዘሎ መብርሂ ዘድልዮም ዝርዝር ንምፍላጥ ጋዜጠኛታት ተወሰኽቲ ሕቶታት ሓቲቶም ነይሮም።ካብ ቤት ፅሕፈት እቲ ሚንስትሪ መብርሂ ከምዘይትወሃበ ብምዝኽኻር ቅሬትኦም ንዝገለፁ ጋዜጠኛታት ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ምላሽ ሂቦም ኣለው። \"ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣብቲ ዑደይ ብወግዒ ተሳቲፎም እዮም።ሚንስትር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ'ውን ተሳቲፎም እዮም። ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣይነበሩን እንታይዶስ ዝብሃል ነገር ጌጋ እዩ።ኣብ ናይ ግድብ ህዳሴ ምይይጥ እውን ሚንስትር ጉዳይ ወፃኢ ብውክልና ነይሩ\" ኢሎም። ብዛዕባ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ቁፅሮም ዘይንዓቕ ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ተዛሪቦም።993 ዜጋታት ዝተመለሱ ክኾኑ ከለው ካብ ስዑዲ ዓረብ 955: ካብ ታንዛኒያ 5:ካብ ጅቡቲ 35 ተመሊሶም ኣለው ኢሎም።ፀገማት ንምፍታሕ ዝተፈላለዩ ፃዕርታት ከምዝተኻየዱ እውን ገሊፆም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/presidetn-isayas-and-prime-minister-abiy-warm-relation-a-foundation-for-further-ties-of-both-countries-said-spokesperson-of-foreign-minister\/5624553.html"} {"headline":"ፕረዝደንት ኢሳይያስ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዛዚሙ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ","content":"ፕረዝደንት ኢሳይያስ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዛዚሙ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ። ፕረዚዳንት ኢሳያስን ምስኡ ሓቢሮም ዝተጓዓዙ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ዝረከቡ ናይ ልምዓት ቦታታት ተዓዚቦም። ፕረዚደንት ኢሳያስን ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ከምዝተመያየጡን ኣብ ክልቲኡ ዓውድታት ምትሕብባሮም ከዕብዩ ከምዝተሰማምምዑ ሚንስትር ዜና ኤርትራ የማነ ገ\/መስቀል ኣብ ትዊተር ገጹ ገሊጹ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9D%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AD%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B6-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%99-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%8A%E1%88%B1\/5622986.html"} {"headline":"ፖሊስ ኮሚሽን ክልል ኦሮምያ ኣቶ ልደቱ ኣያሌው ብዋሕስ ክፍትሑ ኣዚዙ","content":"ብላዕለይዋይ ቤት ፍርዲ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ዝተወሰነ ፖሊስ ከተማ ቢሾፍቱ ኣብ ግብሪ ዘየውዓሎ መሰል ዋሕስ ኣቶ ልደቱ ኣያሌው: ፖሊስ ኮምሽን ክልል ኦሮሚያ ክፍጸም ብምእዛዝ ሎሚ ሓሙስ ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ ወሲኑ'ሎ። ኣቶ ልደቱ ብ100,000 ብር ዋሕስ ክፍትሑ ቤት ፍርዲ ዝወሰኖ ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ቢሾፍቱ ኣብ ግብሪ ዘየውዐለሉ ምኽንያት መብርሂ ክህብ ቤት ፍርዲ ብተደጋጋሚ ትእዛዝ እንተሃበ'ውን እቲ ኣዛዚ ፖሊስ የለን ዝበሉ ምኽትል ኣዛዚን ሓላፊ ምፅራይ ገበንን ን9 ጥቅምቲ መብርሂ ክህቡን ኣቶ ልደቱ ድማ መሰል ዋሕሶም ከረጋግፀሎምን እቲ ቤት ፍርዲ ንኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ ትእዛዝ ብምሃብ ን9 ጥቅምቲ 2013 ቆፀሮ ሂቡ ኣሎ። ብኻልእ ወገን ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ምብራቕ ኦሮሚያ ጨንፈር ኣዳማ ኣቶ ልደቱ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ሰነድ ብምድላውን \\ለውጡ ከድጡ ወደ ማጡ\\ ‘’እቲ ለውጢ ካብ ሕማቕ ናብ ዝገደደ’’ ዝብል ኣርእስቲ ብኣምሓርኛ ዝተፅሓፈ መፅሓፍ ብምፅሓፍ ዝተኸሰስሉ መዝገብ ነቲ ክሲ ብንባብ ንምስማዕ ንፅባሕ ዓርቢ ቆፀሮ ሂቡ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%9D%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9A%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%88%8D%E1%8B%B0%E1%89%B1-%E1%8A%A3%E1%8B%AB%E1%88%8C%E1%8B%8D-%E1%89%A5%E1%8B%8B%E1%88%95%E1%88%B5-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%91-%E1%8A%A3%E1%8B%9A%E1%8B%99\/5622888.html"} {"headline":"ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ውልቀሰባት ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡ ንኣዋርሕ ተኣሲሮም ከምዝርከቡ ስድርኦም ገሊጾም","content":"ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ገለ ከተማታትን ወረዳታትን ውልቀሰባት ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡ ንኣዋርሕ ተኣሲሮም ከምዝርከቡ ስድርኦም ገሊፆም። ሓላፊ ፀጥታ ማእሰርቲ ይፍፀሞም ካብ መንጎ ዝተባህሉ ዞባታት:ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ሰዮ ኖሌ ኣብ ወረድኦም ዝተኣሰሩ ብዝፈፀምዎ ገበን እምበር ንደባይ ተዋጋእቲ ትድግፉ ኢኹም ብዝብል ዝተኣሰረ የለን ኢሎም። ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ንዝተልዓሉ ናይ ማእሰርቲ ጥርዓናት ብዝምልከት ንሓለለፍቲ ንምርካብ ዝተግብረ ፃዕሪ እውን ኣይሰለጠን። ቅድሚ ሎሚ ንድምጺ ኣሜሪካ መልሲ ዝሃቡ ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ኦሮሚያ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብያተ ማእሰርቲ ዕፁዋት ብምዃኖም ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ሰባት ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራብ ከምዘይተኽኣለን እቲ ምርመራ እውን ግዜ ከምዝወስድን ገሊፆም ነይሮም። ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰል ኮሚሽን እውን ጥርዓን ከምዘይቀረበሉ ገሊፁ ኣሎ ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9A%E1%8B%AB-%E1%8B%8D%E1%88%8D%E1%89%80%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%A8%E1%8B%AD%E1%89%80%E1%88%A8%E1%89%A1-%E1%8A%95%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%89%B0%E1%8A%A3%E1%88%B2%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%88%B5%E1%8B%B5%E1%88%AD%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8D%86%E1%88%9D\/5622881.html"} {"headline":"ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠር ክልል ትግራይ ኣንበጣ ንምክልኻል ዝተገዝኣ ድሮን ከይኣትው ተኸልኪሉ ክብል ይከስስ","content":"ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ዝገዝእዋ ንምክልኻል ኣንበጣ ትውዕል ድሮን ብፌደራል መንግስቲ ናብቲ ክልል ከይኣቱ ንሸውዓተ ኣዋርሕ ተኣጊዱ ክብል ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠር እቲ ክልል ከሲሱ:: እቲ ቢሮ እዚ እገዳ ኮነ ኢልካ ንክልል ትግራይ ብቁጠባ ንምድኻም ይካየድ ናይዘሎ ሽርሒ ኣካል እዩ ክብል ገሊጹ:: ተወካሊ ማሕበረሰብ ትግራይ ኣብ እስራኤል ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝገለፅዎ: ንምክልኻል ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ትግራይ ተባሂሉ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ዝተልኣኸ ምንጻግ ኬሚካል ዘካይድ ድሮን ኣድለይቲ ሰናዳት ኣምሊኡ እናሃወ'ዩ ናብ ትግራይ ከይኣቱ ዝተኸልከለ ኢሉ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A2%E1%88%AE-%E1%88%95%E1%88%AD%E1%88%BB%E1%8A%95-%E1%88%8D%E1%88%9D%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%8C%88%E1%8C%A0%E1%88%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%8C%A3-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%8B%9D%E1%8A%A3-%E1%8B%B5%E1%88%AE%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%8B%AD%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%88%8D%E1%8A%AA%E1%88%89-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8B%AD%E1%8A%A8%E1%88%B5%E1%88%B5\/5621699.html"} {"headline":"ኢንሳ: መቐለ ዩኒቨርስቲ ዘቕረቦ ሕቶ ፍቓድ ድሮን ረቛሒታት ኣየማልአን ኢሉ","content":"ናይ ኢትዮጵያ ኤጀንሲ መርበብ ድሕነት ሓበሬታ(ኢንሳ) ካብ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝቐረበ ናይ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት(ድሮን) ፍቓድ የለን ኢሉ ።ናይቲ ኤጀንሲ ዳይሬክተር ዶክተር ሹመቴ ግዛው እቲ ሕቶ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ካብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ቀሪቡ እንተነበረ እውን ካብ ወፃኢ ዝኣትው ድሮን ክማላእ ዝግባእ መዐቀኒታት ፍቓድ ኣየማልአን ኢሎም። ናይ ክልል ትግራይ ኣማሓዳሪ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ወራር ኣንበጣ ናይ ምክልኻል ስራሕ ካብ ፌደራል መንግስቲ ዕንቅፋት የጋጥሞ ከምዘሎ ገሊፆም እዮም።ናይቲ ክልል ቢሮ ሕርሻ እውን ወራር ኣንበጣ ንምክልኻል ኣብ እስራኤል ብዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ዝተዓደገት ድሮን ብፌደራል መንግስቲ ንኣዋርሕ ተታሒዛ ኣላ ክብል ከሲሱ ኣሎ። ናይቲ ኤጀንሲ ዋና ዳይሬክተር ዶክተር ሸመቴ ግዛው ሕቶ ፍቓድ ዘቕረበ ክልል ትግራይ ዘይኮነስ ዩኒቨርስቲ መቐለ እዩ፤ምስቲ ክልል ዘራኽብ እውን የብሉን ኢሎም።ዩኒቨርቲ መቐለ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ድሮን ክኣትው ሓቲቱ ብስልኪ ይኹን ብኣካል ናይ መልእኽቲ ምልውዋጥ ኣካይድና ኢና ኢሎም። \"ሕጂ ንምንታይ ምስቲ ክልል ንምርኻብ ከምዝተደለየ እንተዘይፈለጥኩ እውን ምስ ሰብ ሞያን ሓለፍቲ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኢና ንራኸብ ዝነበርና።ኣብ እስራኤል ካብ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ከምዝተረኸበ እውን ፀኒሖም እዮም ነጊሮምና። ሎሚ ካብ ዘሎ ነባራዊ ኩነታት ካብቲ ዝተፈቐደ ክሊ ወፃኢ ኮይኑ ወልቀሰባትን ትካላትን ካብ ዝሕዝዎ ንላዕሊ ኮይኑ ስለዝተረኸበ ምውዳእ ኣይተኽኣለን እዮም’’ ኢሎም። ብመጠንን ኣገልግሎታትን ዝተፈላለዩ ናይ ድሮን ደረጃታት ከምዘለው ብምግላፅ ክሳብ ሎሚ ክሳብ 25 ኪሎ ግራም ዝምዘኑ ድሮናት ከምዝፈቐዱ ሓቢሮም።እዚ ናይ ዩኒቨርስቲ መቐለ ግን 60 ኪሎግራም ኮይኑ እዚ ግን ካብቲ ዝተጠቐሰ ኣዚዩ ዝዓበየ እዩ።ናይ 35 ኪሎ ግራም ብልጫ ኣለዎ ኢሎም። ንሶም ብምውሳኽ እቲ ድሮን ናይ መንነት ይኹን ናይ ኣጠቓቕማ ማንዋል ከምዘይብሉን ንምፍታሽ ኣብዝፍትንሉ እዋን እቲ ድሮን ክፈቕደልና ኣይክኣለን ኢሎም ። ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣእትየዮ ዝበሎ ሰብ ኣልቦ ነፋሪ ዝመፀሉ ዕላማ ቅድም ኢሉ ምዝርራብ ይክኣል ነይሩ፤ዩኒቨርስቲ መቐለ ግን ከምኡ ኣይገበረን ኢሎም። ብኻልእ ወገን ሚንስትሪ ሕርሻ ትማሊ ወግዓዊ ብዝገበሮ ሓበሬታ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ዝተራእየሎም ከባቢታት ደቡባዊ ትግራይን ምብራቕ ኣምሓራን ብኣውሮፕላን ዝተደገፈ ምንፃግ ኬሚካል ስራሕ ምጅማሩ ኣፍሊጡ። ኣብ ደቡባዊ ዞባ ክልል ትግራይ ንምክልኻል ዕስለ ኣንበጣ በነፈርቲ ዝተሓገዘ ምንፃግ ኬሚካል ተኻይዱ እንተኾይኑ ንምምሕዳር ዞባ ደቡባዊ ትግራይ ሓቲትና ኣለና:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/controversy-continues-over-the-drone-license-among-ethiiopia-federal-government-and-tigray\/5621529.html"} {"headline":"ፕረሲደንት ኢሳያስን ቀ\/ሚ ኣቢይን ግድብ ህዳሰ በጺሖም","content":"ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ምስቶም ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ዝገብሩ ዘለዉ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብምዃን፣ ነቲ ዓቢይ ግድብ ህዳሴን ንግቤ 4ይ መመንጨዊ ሓይሊ ኤለክትሪክን ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣብቲ እዋን ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ክዛረቡ ኸለዉ፥ሎሚ ዓመት ኣብ ግድብ ህዳሴ ዝዕመም ስራሕ ወሳንነት ከም ዘለዎ ኣፍሊጦም። እቲ ግድብ ሕጂ ዝርከበሉ ደረጃ ዘዕግብ ምዃኑ'ውን ቀ\/ሚ ኣቢይ ተዛሪቦም። ትማሊ ሰኑይ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ናይ ኤርትራ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣብ ምሕያል ርክብ ክልቲአን ሃገራት ምዝርራቦም ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ሓቢሮም ኣለዉ፡ ዝርዝር 'ቲ ዝርርብ ግን ኣይሃቡን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5620648.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ካብ ፓርላማ ዝወጻ ኣባል ህወሓት ወ\/ሮ ለምለም ሓድጉ","content":"ህወሓት ኣብ ኢትዮጵያ ብደረጃ ፈደራል ሕጋዊ መንግስቲ የለን ክብል ኩሎም ኣብ ፓርላማን ኣብ ፌደራል መንግስቲ ኣብ ስልጣን ዝነበሩን ኣባላቱ ከምዝጸውዐ ኣፍሊጡ`ዩ። ነቲ ናይ ህወሓት ጻውዒት ብምንጻግ ኣብቲ ፓርላማ ምስ ዝፀንሓ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንህወሓት ዝወከላ ኣባል ፓርላማ ቃለ ምልልስ ምክያድና ይዝከር።ሎሚ ድማ ንፃውዒት ህወሓት ብምቕባል ካብቲ ፓርላማ ምስ ዝወፃ ወይዘሮ ለምለም ሓድጉ ዘካየድናዮ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%88%8B%E1%88%9B-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%8C%BB-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8B%88-%E1%88%AE-%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%8C%89\/5620056.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ከቢድ ጉድኣት የውርድ ከምዘሎ ተፈሊጡ","content":"ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ምብራቕን ሰሜንን ኢትዮጵያ ዕሰለ ኣንበጣ ከቢድ ጉድኣት ኣብ ምውራድ ይርከብ።ኣብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ዝተኸሰተ ወራር ኣንበጣ ብሓባርን ብዝተዋደደን ንምክልኻል ምንስቴር ሕርሻ ኣቶ ዑመር ሑሰን ምስ መሪሕነት ክልል ሶማሌ፣ዞባታትምብራቕን ምዕራብን ኦሮሚያ ከምኡ እውን ምምሕዳር ድሬዳዋ መኺሮም ኣለው። ኣብቲ ከባቢ ዝወረደ ዕንወት ትማሊ ሶኑይ ተዘዋዊሮም ዝተዓዘቡ እቶም ምንስቴር ወራር ኣንበጣስግረ ዶብ ስለዝኾነ ኣብ ክልላት ጥራሕ ከይኮነስ ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ተዋዲዳክትከላኸሎ ኣለዋ ኢሎም። ብዙሕ ሽፋን መራኸቢ ብዙሃን ዘይረኸበ ወራር ኣንበጣ ኣብቲ ከባቢ ከቢድ ዕንወት ከምዘውረደ ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ገሊፆም ኣለው። ክልል ኦሮሚያ ካብ ክልል ኣምሓራ ቀፂሉ ብወራር ኣንበጣ ከምዝተጥቕዐ ናይቲ ክልል ዳይረክተር ሓለዋ እፅዋት ኣቶ ደጀኔ ሄርፓ ገሊፆም። ብደረጃ ሃገር 181 ሄክታር መሬቱ ብኣንበጣ ዝተወረሮ ክልል ኣምሓራ ቀዳምይ ዝስራዕ ክኸውን ከሎ 155 ሽሕ ሄክታር ብኣንበጣ ዝተወረሮ ክልል ኦሮሚያ ድማ ካልኣይ እዩ።ዓፋር፣ ድሬዳዋን ትግራይን እውን ተጠቒዖም ኣለው። ወራር ኣንበጣ ንምክልኻል ኣድላይ ዘበል ሓገዝ ንክልላት ኣቕሪብና ኣለና ዝበሉ ምንስቴር ሕርሻ ኣቶ ሑሴን ሕፅረት መንፀጊ ኬሚካል ኣውሮፕላን ከምዘሎ ገሊፆም። ንቕድሚት ግን ፌደራል መንግስቲ ይኹን ክልላት ናይ ባዕሎም ነፈርቲ መንዝሒ ኬሚካል ክህልዎም ከምዝሰርሑ ሓቢሮም ኣለው ብመሰረት ፀብፃብ ኣዲስ ቾከል። ብኻሊእ ዜና ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባታት ሰሜንን ደቡብን ወሎ፣ኣብ ብሄረሰብ ኦሮሞን ሰሜን ሸዋን 136 ጣቢያታት ወራር ዕስለ ኣንበጣ ከምዝተኸሰተ ፀብፃብ መስፍን ኣራጌ ይሕብር። ኣብ ልዕሊ 87 ሄክታር መሬት ዘሎ ዘራእቲ ጉድኣት ወሪዱ ኣሎ።ብፍላይ ገባራት ከጋጥሞም ዝኽእል ናይ ቀለብ ፀገም ከቢድ ከምዝኸውን ገሊፆም ኣለው። ጉድኣት ንዝወረዶም ገባራት ከምዝሕግዝ ዝገለፁ ምንስቴር ድኤታ ምንስትሪ ሕርሻ ኣቶ ወንዳለሃብታሙ ናይ ምክልኻል ስራሕ ክስራሕ እዩ ኢሎም። መንግስቲ ቐልጢፉ ምላሽ ኣይሃበን ንዝብል ክሲ መልሲ ዝሃቡ ኣቶ ወንዳለ እቲ ወራር ቅድመ ምክልኻል ተዘይግበር ነይሩ ካብቲ ዝወረደ ጉድኣት ንላዕሊ ምኾነ ነይሩ ኢሎም። ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ክልል ዓፋር ናይ ምክልኻል ስራሕቲ እንተተሰርሑ እውን እቲ ዕስለ ካብ ሰሜን ሶማሌ፣ከባቢታት ምዕራብ ህንድን ዝተበገሰ ዝልዓለ ደረጃ ዘለዎ ኣንበጣ በረኻ ብምዃኑ ናብኢትዮጵያ ምእታው ንናይቲ ምክልኽል ስራሕ ዝተሓላለኸ ከብዝገበሮ ገሊፆም። ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝተፈጥረ ዘይምርድ ዳእ ምንስቴር ሕርሻ ናብ ትግራይ ኣትዩ ናይ ምክልኻል ስራሕ ካብ ምስራሕ ኣይእግዶን ዝበሉ እቶም ምንስቴር ድኤታብዛዕባ እቲ ዕስለን ጭቡት ኩነታትን ካብቲ ክልል እኹል መረዳእታ ከምዘይረኸቡ ገሊፆም። ‘’ንሕና ሕርሻ ኢና።ኣድማስና ልምዓት እዩ፤ኣድማስና ሓረስታይ እዩ።ናይ ሓረስታይ ረብሓ ኣብዘለዎምንስቴር ሕርሻ ኣትዩ ካብ ምስራሕ ዝኽክልክሎ የብሉን’’ ዝበሉ ንሶም ‘’ናይ ኣውሮፕላን ምንፃግ እውን ወግዓዊ ሪፖርት ካብቲ ከባቢ ኣይመፀናን።ሪፖርት ከይተፀበናዳህሳስ ገይርና ምላሽ ንህበሉ ዕድል ኣሎ’’ ክብሉ ገሊፆም። ‘’ንሳቶም ብፍላይ ናይ ክልል ትግራይመንግስቲ ብዛዕባ ዘሎ ፀገም ናባና ሪፖርት ኣይለኣኸን።ዋላ እውን ተዘይገበሩልና ግን ዳህሳስ ገይርና ከይድና ግቡእ መፍትሒ ክንህብ ኣለና’’ ኢሎም። መንግስቲ እቲ ክልል ንመንግስቲ ፌደራል ብዛዕባ ኩነታት ኣንበጣ ሓበሬታ ኣይህብን ዘሎ ኢሉ ሚንስትር ሕርሻ ዘቕርቦ ክሲ ቢሮ ሕርሻ ክልል ትግራይነዚ ነፂጉዎ ኣሎ። ‘’በብእዋኑ ብፍላይ ብነፈርቲ ነፃጋ ኬሚካል ብዛዕባ ዘድልዮም ከባቢታት ሓበሬታ ዋለ ተተልኣኸ መንግስቲ ፌዴራል ግና ንትግራይ ፈልዩ ኣብ ካሊእ ከባቢ ነፀጋ ከሚካል ዘካይድ እዩዘሎ’’ብምባል ቢሮሕርሻ ክልል ትግራይ ነፂጉዎ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/locust-swarm-is-destroying-vast-areas-in-ethiopia\/5619957.html"} {"headline":"ፕረ .ኢሳያስ ናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣብ ኢትዮጵያ የካይዱ ኣለው","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይን ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፍወርቂን ሎሚ ኣብ ጅማን ከባቢኡን ናይ ስራሕ ዑደት ኣካይዶም። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዕድመ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ንናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ሎሚ ሶኑይ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ከተማ ጅማ ምእታዎም ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሮም። ብፕረ.ኢሳያስ ዝምራሕ ልኡኽ አማኻሪ ፕረዚደንት አቶ የማነ ገብረኣብን ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ዝሓዘ ምዃኑ ተገሊጹ'ሎ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ጅማ ኣብ ዝኣተወሉ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ተቐቢሎም። ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ጎማ ወረዳ ንዝርከብ መፍረይን ፈልሲ ቡን ዝዳቐለሉ ቦታን በጺሖም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5618590.html"} {"headline":"'ኣብ ከባቢ ራያ ከቢድ ዕንወት ንዘውርድ ዘሎ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ምክልኻል፥ መንግስቲ ሓላፍነቱ ክፍጽም ይግባእ'- ፈንቅል ትግራይ","content":"ኣብ ደቡባዊ ዞባ ክልል ትግራይ ኣብ ከባቢታት ራያ ዘጋጠመ ወራር ኣንበጣ ከቢድ ዕንወት የስዕብ ኣሎ ዝበለ ምንቅስቓስ ፈንቅል ትግራይ፥ ፈደራል መንግስቲ ሓላፍነት ወሲዱ ብትኹረት ክሰርሓሉ ይግባእ ኢሉ። ካብቲ ህዝባዊ ሓልዮት ዘይብሉ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንጽበዮ ነገር የለን ዝበለ ኣተሓባባሪ'ቲ ምንቅስቓስ ኣቶ ሚኪ ተስፋይ ፥ኣብ ፈደራል መንግስቲ'ዩ እምነት ኔሩና፡ ግን ፈደራል መንግስቲ'ውን ነቲ ለበዳ ኣንበጣ ኣብ ምክልኻል ግቡእ ምክትታል ክገብር ኣይተራእየን ኢሉ። ኣቶ ሚኪ ተስፋይ ወሲኹ በዚ መሰረት መንግስቲ ነዚ ብኽያት ህዝቢ ግቡእ ምላሽ ክህቦ ንጽውዕ ኢሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2-%E1%88%AB%E1%8B%AB-%E1%8A%A8%E1%89%A2%E1%8B%B5-%E1%8B%95%E1%8A%95%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%8B%8D%E1%88%AD%E1%8B%B5-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8B%95%E1%88%B5%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%8C%A3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8D%E1%8A%90%E1%89%B1-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%8C%BD%E1%88%9D-%E1%8B%AD%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%8A%A5---%E1%8D%88%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/5618444.html"} {"headline":"ኣብ ዞባ ዶቡብ ትግራይ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ዝበፅሑ ዘራእቲ ጉድኣት የብፅሕ","content":"ኣብ ዞባ ዶቡብ ትግራይ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ዝበፅሑ ዘራእቲ ጉድኣት የብፅሕ ኣሎ::ብፍላይ ኣብ ወረዳ ራያ ጨርጨር እቲ ዕስለ ንምቁፅፃር ይኸብድ ከምዘሎ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ሓረስቶት ገሊፆም:: ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ግራት ሓረስቶት ንምድሓን እቲ ዕስለ ኣንበጣ ናብ ዝተርኣየሉ ዞባ ደቡብ ትግራይ ብፍላይ መናእሰይ ብበዝሒ ብምኻድ ይሕግዙ ኣለዉ:: No media source currently available ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብቲ ዕስለ ኣንበጣ ዝተርኣየሉ ከባቢ ብምኻድ ዝበጽሑ ኮይኖም: ነቲ ዕስለ ንምክልኻል ይግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ክሕይል ይግባእ ኢሎም: ፌደራል መንግስቲ ኣብ ስራሕ ምክልኻል እቲ ዕስለ የተዓናቕፍ ኣሎ ብምባል'ውን ከሲሶም:: ሚንስትር ሕርሻ ኢትዮጵያ ብወገኑ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ዝተርኣየሎም ከባቢታት ንክልል ትግራይ ሓዊሱ ስራሕ ምክልኻል ንፍፅም ኣለና እምበር ኣየተዓናቐፍናን ኢሉ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%8B%B6%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%95%E1%88%B5%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%8C%A3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%8D%85%E1%88%91-%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%8A%A5%E1%89%B2-%E1%8C%89%E1%8B%B5%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%8B%A8%E1%89%A5%E1%8D%85%E1%88%95-\/5618253.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ አባል ፓርላማ ወ\/ሮ ያየሽ ተስፋሁነኝ","content":"ህወሓት ኣብ መጀመርያ`ዚ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ብደረጃ ፈደራል ሕጋዊ መንግስቲ የለን ብዝብል ኩሎም ኣብ ፓርላማ ዝነበሩን ብደረጃ ስልጣን ዝነበሩን ኣባላቱ ከምዝጸውዐን ስልጣኖም ከምዝለቁን ኣፍሊጡ`ዩ። ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንህወሓት ዝወከላ ኣባል ፓርላማ ነቲ ናይ ህወሓት ጻውዒት ብምንጻግ ኣብቲ ፓርላማ ክጸንሓ ብምውሳን ኣብቲ ናይዚ ዓመት`ዚ ፈላማይ ጉባኤ ክልቲኡ ፓርላማታት`ውን ተሳቲፈን ኣለዋ። ወ\/ሮ ያየሽ ተስፋሁነኝ እየንብዛዕባ ውሳነአንን ካልኦት ተዛመድቲ ሕቶታትን ኣዘራሪብናየን ኣለና። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%88%8B%E1%88%9B-%E1%8B%88-%E1%88%AE-%E1%8B%AB%E1%8B%A8%E1%88%BD-%E1%89%B0%E1%88%B5%E1%8D%8B%E1%88%81%E1%8A%90%E1%8A%9D\/5615768.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመታት መብራህትን ፅሩይ ዝስተ ማይን ንምሉእ ሃገር ከምዝባጻሕ ገሊጻ","content":"ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅሉ ዓሰርተ ዓመታት ሓይሊ ኤሌክትሪክን ፅሩይ ዝስተ ማይን ፅሩይ ንምሉእ ሃገር ከምዝባጻሕ:መጠን ድኽነት እውን ናብ ትሕቲ ሸውዓተ ሚእታዊት ከምዝወርድ ኮሚሽነር ትልምን ልምዓትን ኣፍሊጠን። ኮሚሽነር ትልምን ልምዓትን ኢትዮጵያ ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ ኢትዮጵያ ናይ 10 ዓመት መሪሕ ትልሚ ልምዓት ከተዳልው እዚ ንፈለማ ግዜ እዩ።እታ ሃገር ሎሚ እውን ኣብ ዝተሓተ ናይ ልምዓት ደረጃ እትርከብ ብምዃና ብዙሓት ሕቶታት ልምዓት ኣለውዋ ኢለን። \"ናይ ምልማዕ ቕሙጥ ዓቅምና ገና ዘይተተንከፉ ብምዃኖም ኣብ ዝቕፅሉ ዓሰርተ ዓመታት ቁጠባ ኢትዮጵያ ብማእኸላይ ብ10.2 ሚእታዊት ክዓቢ እዩ’’ኢለን።ድኽነት እውን ትሕቲ ሸውዓት ሚእታዊት ከምዝወርድን ነፍስ ወከፍ ኣታዊ እውን ልዕሊ 2,200 ዶላር ክኸውን ከምዝትንበይ ገሊፀን። ዶክተር ፍፁም ብመዳይ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ብፍላይ ድማ ኣብ ጥዕናን ትምህርትን ዝተሰርሕ ስራሕ ሰፊሕ እንተኾነ እውን ፅርየቱ ከምቲ ዝድለ ከምዘይነበረ ብምግላፅ ነዚኦም ንምዕራይ ሸቶታት ተቐሚጦም ኣለው ኢለን ። \"ኣብቲ ትልሚ ካብ ዝተቐመጡ ብፍላይ ኣብ መወዳእታ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ገጠር ይኹን ከተማ ኤሌክትሪክ ምሉእ ብምሉእ ወይ 100% ክባፃሕ እዩ።ፅሩይ ዝስተ ማይ እውን ኣብ ከተማን ገጠርን 100% ክባፃሕ ተተሊሙ ኣሎ’’ኢለን። ፍልፍል ናይዚ ሸቶ ሕርሻ፣መፍረይ ኢንዱስቱሪን፣ ማዕድን፣ቱሪዝምን ኣይሲቲ ምዃኖም ኮሚሽነር ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ ሓቢረን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-is-steering-to-achiev-100-percent-of-electricity-and-potable-water-to-its-people-in-ten-years-an-offcial-said\/5615490.html"} {"headline":"ቅሬታ ገለ ዓቐብቲ ሕጊ ክልል ትግራይን ግብረ መልሲ ቢሮ ፍትሒ'ቲ ክልል","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ዓቀብቲ ሕጊ ነዊሕ እዋን ዘቕረብናዮሕቶ መሃያን ጥቕማጥቕሚን ካብ መንግስቲ ምላሽ ግቡእ ኣይተውሃበናን ብምባል ቅሬተኦም ንድምፂ ኣሜሪካ ዝገለፁ ዓቀብቲ ሕጊ ተዛሪቦም:: ብተወሳኺ እውን ብደረጃ ክልል ነፃ ትካል ዓቃቢ ሕጊ ክጣየሽ ይግባእ ኢሎም:: ኣብቲ ጉዳይ ምላሽ ዝሃቡ ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ እቲ ክልል ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ሕቶ መሃያን ጥቕማጥቕም ዓቀብቲ ሕጊ ክፍታሕ በቲ ዘሎ ዓቕሚ እቲ ክልል ዝኸብድ እዩ ኮይኑ ግና ንመንግስቲ ቐሪቡ ይረአይ ኣሎ ኢሎም:: ኣብ ጉዳይ ነፃ ትካል ምጥያሽ ምላሽ እንትህቡ ቢሮ ፍትሒ መንግስታዊ ኣካል እዩ: ብግልፂ ንህዝብን መንግስትን ወጊኑ ዝሰርሕ ትካል እዩ ብምባል ምላሽ ሂቦም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%85%E1%88%AC%E1%89%B3-%E1%8C%88%E1%88%88-%E1%8B%93%E1%89%90%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%89%A2%E1%88%AE-%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%92-%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D\/5615202.html"} {"headline":"ለተሰንበት ግደይ ኣብ 5000 ሜትሮ ጉያ ሓድሽ ክብረ ወሰን ኣመዝጊባ","content":"ኢትዮጵያዊት ለተሰንበት ግደይ ኣብ ስታድየም ቫለንስያ ኣብ ዝዋዓለ ጉያ 5 ሽሕ ሓድሽ ክብረ ወሰን ኣመዝጊባ። ለተሰንበት ነቲ ጥሩነሽ ዲባባ ቅድሚ 12 ዓመታት ዘመዝገበቶን ንብርክት ዝበሉ አትሌታት ኣዝዩ በዳሂ ኮይኑ ዝጸንሐን ርሕቀት ጉያ ፈንጢሓ ሓድሽ ክብረ ወሰን ኣመዝጊባ ኣላ። ሓድሽ ክብረ ወሰን 14፡06 ሰኮንድን። ብጥሩነሽ ዲባባ ተታሒዙ ዝነበረ ክብረወሰን’ዚ ርሕቀት’ዚ 14፡11 ሰኮንድን። ለተሰንበት ግደይ ኣብ’ቲ ውድድር ዝህልዋ ግደ ካብ ተሳትፎ ዝሰገረ ከምዝኾን ናይ ተንተንቲ’ቲ ውድድር ትጽቢት እዩ ነይሩ። ኣይተጋገዩን። ክልተ ፔስ መከርስ ማለት ሓድሽ ክብረ ወሰን ንክተመዝግብ መታን ክትጎይይ ዝሕግዛኣ’ውን ተመዲበናላ ነይረን። 22 ዓመት ዝዕዲሚኣ ለተሰንበት ኣብ’ዚ ቀረባ ካብ መቀለ ናብ ቫለንስያ ክትብገስ ከላ እዚ ክስተት’ዚ ክፍጸም እዩ ኢላ ተጸብያ እንተነይራ ዝተፈለጠ ነገር የለን። ሓደ ነገር ግን ብሩህ ኮይኑ ኣሎ፣ ኣብ ታሪኽ ኣትሌትክስን ጉያ 5 ሽሕ ሜትሮን በታ ዋዕሮ 5 ሽሕን 10 ሽሕን ዝነበረት ጥሩነሽ ዲባባ ተታሒዙ ንዝነበረ ክብረ ወሰን ሓምሺሻ ናይ ገዛእ ርእሳ ስም ኣንቢራ ኣላ። ለተሰንበት ግደይ! No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/letesenbet-gidey-smashes-5ooo-meter-in-valencia-spain\/5615153.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ መተከል ዝንቀሳቐሱ ሸፋቱ 14 ሰባት ምቕታሎም ተገሊጹ","content":"ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ወረዳ ዳንጉር ዝንቀሳቐሱ ሸፋቱ ኣብ ጉዕዞ ንዝነበሩ 14 ሰባት ከም ዝቐተሉ ቤት-ጽሕፈት ጸጥታን ሰላምን`ቲ ክልል ኣፍሊጡ። ካብ መንጎ `ቶም ዝሞቱ ሓደ ቻይናዊ ዜጋ ምዃኑ`ውን ተሓቢሩ`ሎ። ድሕሪኡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ`ቶም ሸፋቱ ስጉምቲ ከም ዝወሰዱን ክልተ ካብኦም ከምዝተማረኹን ሓላፊ`ቲ ቤት-ጽሕፈት ኣቶ ጋሹ ዱጋስን ሓቢሮም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%88%98%E1%89%B0%E1%8A%A8%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%8A%95%E1%89%80%E1%88%B3%E1%89%90%E1%88%B1-%E1%88%B8%E1%8D%8B%E1%89%B1-14-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%B3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5613972.html"} {"headline":"ርእይቶ ሰብ ሞያ ኣብ ጉዳይ ክልል ትግራይን ውሳነ ፈደራል ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያን","content":"ፈደራል ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ምርጫ ከምዘይተኻየደን ተፈጻምነት ዘይብሉን ዘይጸንዕን ኢልዎ ኔሩ`ዩ። ትማሊ ንተለቪዥን ኢትዮጵያ ዝተዛረበ ኣፈ-ጉባኢ ባይቶ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ኣቶ ኣደም ፋራሕ፥ ምስቲ ዘይ-ሕጋዊ ዝበሎ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ሕጋዊ ርክብ ከምዘይህሉ ተዛሪቡ`ሎ። `ምስ ርክብ ተተሓሒዙ መሰረት ዝኸውን ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይን ላዕለዎት ኣፈጸምቲ ኣካላትን ሕገ-መንግስታዊ ተቐባልነት የብሎምን፣ ሕጋዊ ኣካላት ኣይኮኑን፣ ስለ-ዝኾነ ድማ ኩሎም ናይ ፈደራል ትካላት ምስኣቶም ዝኾነ ዓይነት ርክብ ኣይክህልዎምን`ዩ` ኢሉ። ኮይኑ ግን ፈደራል መንግስቲ ንልምዓት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝምልከት መሰረታዊ ኣገልግሎታት ማእከል ብምግባር ምስ ናይ ወረዳን ቀበሌን ከምኡ`ውን ኣብቲ ክልል ምስ ዝርከቡ ትካላት ጥራይ ናይ ስራሕ ርክብ ከምዝገብር ኣፍሊጡ። ኣቶ ኣደም ፋራሕ ህዝቢ ትግራይ ከም ካልኦት ናይ ክልላት ህዝብታት፥ ናይ ትምህርቲ ኣገልግሎት ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ናይ ጽሩይ ማይ ፥ ከምኡ`ውን ናይ መግብን ካልኦትን ንናብርኡ ዝምልከቱ ኣገልግሎታት ከምዝረክብ ተገይሩ ዝተወሰነ`ዩ ኢሉ ። እዚ ድማ ብመንጽር ንህዝቢ ትግራይ ካብ ዘለና ክብሪ ዝተራእየ`ዩ: ህዝቢ ትግራይ ከም ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ እቲ ሕገመንግስቲ ዘጓናጸፎም መሰላት ክረኽቡ ይግባእ ዝበለ ኣቶ ኣደም፥ ንኣፈጻጽምኡ ብዝምልከት፥ ቤት ምኽሪ ሚንስተራት ኣብ መጽናዕቲ ተመርኩሱ ዝፍጽሞ`ዩ ዝኸውን ኢሉ። ንባጀት ብዝምልከት ድማ ርክብ ምግባር ዝክኣል ምስ ሕጋዊ ኣካል ጥራሕ`ዩ ኢሉ። \"ፈደራል መንግስቲ ንክልላታት ዝህቦ ባጀት ብዝምልከት ባጀት ክምድበሉ ዝኽእል ንሕጋዊ ኣካል ጥራይ`ዩ። ስለዚ ምስ ቤት-ምኽሪ ክልል ትግራይን ምስ ፈጸምቲ ኣካላትን ዝኾነ ሕጋዊ ርክብ ክገብር ሰለዘይክእል ናይ ገንዘብ ድጎም ክገብረሎም ኣይክእልን`ዩ ማለት `ዩ\" ኢሉ። ብዛዕባ ሕጋውነት `ዚ ቪኦኤ ዘዘራረቦ በዓል-ሞያ ሕግን ኣብ ዩኑቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ፕሮፈሰር ሕግን ጌታቸው ኣሰፋ፥ ኣብ ፈደራል ስርዓት ከምዚ ዓይነት ርክብ ፍጹም ዝተለምደ ኣይኮነን ይብል። \"ኣብ ፈደራል ስርዓት ዝተለምደ ኣሰራርሓ ኣይኮነን። እቶም ጸገማት ቀልጢፎም ፍታሕ ክረኽቡ ኣለዎም ክሳብ መኣስ ክቕጽል ይኽእል? ሓደ ወገን ዝወስዶ ስጉምቲ ናብ ካልእ ዝተኻረረ ደረጃ ክሳብ ዘብጽሕ ዲና ንጽበ ዘለና፣ እዚ ውሳነ እንታይ ማለት`ዩ ዝብል ብሓቂ ኣጸጋሚ ውሳነ ይመስለኒ። ኣብ ቀጻሊ`ውን ርክብ ፈደራልን ክልልን እንታይ ክኸውን ከምእንጽበ ጭራሽ ኣጸጋሚ`ዩ \" ኢሉ። ኣተሓሒዙ ንባጀት ዝምልከት ፈደራል መንግስቲ ነቲ 80% ባጀት ክልላት ዝሽፍኖ ስለዝኾነ ኣብ ክልል ትግራይ`ውን ተጸዕኖ ክህልዎ`ዩ ዝበለ ዶ\/ር ጌታቸው ኣሰፋ፥ቀጥታዊ ጽልውኡ ግን ኣብ ኣፈጻጽምኡ ዝርኣይ`ዩ ዝኸውን ኢሉ። ትማሊ ባይቶ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ዘመሓላለፎም ውሳነታት ኣብ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተሓቖፉን ቅድሚ ሎሚ ምስ ዘመሓላለፎም ውሳነታት ዝቃደዉን ምዃኖም `ውን ወሲኹ ሓቢሩ። ገዛኢ ፓርቲ ክልል ትግራይ ሕወሓት ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ ካብ ፈደራል መንግስቲ ኮነ ካብ ቤት ባይቶ ወከልቲ ከምኡ ካብ ባይቶ ፈደረሽን ዝኾነ ዓይነት ርክብ ከምዘይህልዎ ምፍላጡ ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%9E%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95\/5613278.html"} {"headline":"ኢዜማ:መንግስቲ ኣብ ሰላምን ምርግጋእን ኢትዮጵያ ሓደጋ ዝፈጥሩ ወገናት ስጉምቲ ክወስድ ጸዊዑ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ሃገር ሰላምን ምርግጋእን ሓደጋ ክፈጥሩ ዝኽእሉ ምልዕዓላት ብዕቱብ እናተኸታተለ ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ \\ኢዜማ\/ ፀዊዑ።ኢዜማ ወሲኹ ፓርትታት ዝተፈላለዩ አማረፂ ፖሊስታት ንህዝቢ ኣብ ዘቕርቡሉ እዋን መንግስቲ ውሳነ ካብ ምሕላፍን ካብ ምትግባርን ክዕቀብ ሓቲቱ ኣሎ። እቲ ፓርቲ ኣብ ዝዘርግሖ መግለፂ መንግስቲ ኣብ ናይታ ሃገር ሰላምን ምርግጋእን ጠመተ ሂቡ ክሰርሕ ፀዊዑ ኣሎ።ስልጣን ንምንዋሕ ዝተኸደሉ ኣገባብ ሕገ መንግስታዊ ኣይኮነን፣በዚ ምኽኒያት ድሕሪ 25 መስከረም 2013 ዓ\\ም መንግስቲ የለን፣ህዝብን ናይ መንግስቲ መሓውርን ናይ ክልል መንግስታትን ንፌደራል መንግስትን ክእዘዙ የብሎምን ዝብል ወፍሪ ከምዝነበረን ሎሚ እውን ከምዘሎን ይገልፅ ። እቲ መግለፂ እዚ ወፍሪ ናይ ሃገር ሰላምን ምርግጋእን ካብ ምህዋኽን ናይ ዜጋታት ህይወት ኣብ ሓደጋ ካብ ምውዳቕን ዝዘለለ ፋይዳ የብሉን ይብል።ስለዝኾነ ድማ መንግስቲ ሓደጋ ቅድሚ ምግጣሙ ነዚኦም ተኸታቲሉ ክከላኸሎምን ሓደጋ ንምፍፃም ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ ኢዜማ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%8B%9C%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%8C%8B%E1%8A%A5%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B-%E1%8B%9D%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%A9-%E1%8B%88%E1%8C%88%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%88%B5%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%8B%88%E1%88%B5%E1%8B%B5-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%91-\/5612588.html"} {"headline":"ውሳነ ፈደራል ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያ ንጉዳይ  መንግስቲ ክልል ትግራይ","content":"ናይ ኢትዮጵያ ፈደራል ቤት ምኽሪ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ምዱብ አኼብኡ ፈደራል መንግስቲ ምስ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ርኽብ ንከይህልዎ ውሳነ አሕሊፉ። እቲ ቤት ምኽሪ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ብዝምልከት ሰለስተ ውሳነታት ኣሕሊፉ’ሎ። እዚ ውሳነ ፈደራል ቤት ምኽሪ ኣብቲ ነሓሰ 30,2012 አካይድዎ ዝነበረ ናይ ህጹጽ እዋን አኼባ ዝተወሰነ ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ’ሎ። እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ምርጫ ከምዘይተኻየደ; ከምዘይተፈጸመን ከምዘይጸንዕን ውሳነ ምትሕልላፉ ኣዘኻኺሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/5611852.html"} {"headline":"ሜሮን ሰመዳር ንምርጫ ምምሕዳር ከተማ ኦክላንድ ይወዳደር","content":"ካልኣይ ክፋል ናይዚ ቃለ-መጠይቕ ኣብ ዝቕጽል መደብ ኤርትራውያን ኣብ ኣመሪካ ክንምለሶ ኢና ኤርትራዊ ኣመሪካዊ ሜሮን ሰመዳር፡ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ጀሚሩ ኣብዚ ኣብ ዩኤስ'ውን ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን መሰል ስደተኛታትን፡ ክቃለስ ድሕሪ ምጽናሕ ፥ ሕጂ ድማ ናብ ቤት መኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ንምእታው ይወዳደር ኣሎ። ምስ ንምምሕዳር ከተማ ኦክላንድ ዝወዳደር ዘሎ መሮን ሰመዳር ዝተኻየደ ቃለ-መጠይቕ ቀዳማይ ክፋል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል፥-ካልኣይ ክፋል ናይዚ ቃለ-መጠይቕ ኣብ ዝቕጽል መደብ ኤርትራውያን ኣብ ኣመሪካ ክቐርብ`ዩ። No media source currently available ካልኣይ ክፋል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5593472.html"} {"headline":"ፕረ.ሶማል ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ","content":"ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ኣብዱላሂ መሓመድ ኣብ ኤርትራ ዘካየዶ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዛዚሙ ትማሊ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ፕረዚዳንት መሓመድ ኣብዱላሂ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓሉ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ሰፊሕ ምይይጥ ገይሮም። እቶም መራሕቲ ነት ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዓት ንምድንፋዕን ብዝለዓል ንምሕያልን ኣብ ምርድዳእ ከምዝበጽሑ ተገሊጹ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%99-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%8A%E1%88%B1\/5610909.html"} {"headline":"ኣብያተ ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ፌደረሽንን ኢትዮጵያ ሓባራዊ አኼባ አካይዱ","content":"ንምጅማር ስራሕ ኣብያተ ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ፌደረሽንን ብመደረ ዝኸፈታ ናይ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብዚ ዓመት ዝካየድ ምርጫ ካብቶም ዝሓለፉ ምርጫታት ብዝሓሸን ዓለምለኸ መዐቀኒ ብዘማልአን ክፍፀም እዩ ኢለን። ሓምሻይ ናይ ኢትዮጵያ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ናይ ፌደረሽን ቤት ምኽሪን ሻድሻይ ዓመት ናይ ስራሕ ዘመን ቀዳማይ ናይ ሓባር ኣኼባ አኻይዱ'ሎ። ብርክት ዝበሉ ዛዕባታት ኣብ ዝዳህሰሰ ናይ ፕረዚደንት ሳህለወቅ ዘውዴ ናይ መኽፈቲ መደረ ዝሓለፈ ዓመት ከም ሃገር ዘኹርዑ ዓወታት ዝተመዝገብሉን ብኣንፃሩ ድማ ብዘሕዝን ኩነታት ናይ ሰባት ሞትን ምምዝባል ግጭትን ዕንወት ንብረትን ዝተኸሰተሉ እዩ ነይሩ ኢለን። ፕሬዝዳንት ሳህለወርቅ ናይ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ሰላም ፃዕርን ሽልማት ኖቤልን ናይ ኢትዮጵያ መልክዕ ንዓለም ኣብ ምፍላጥ ዝተፃወቶ ጊደ ዝዓዘዘ ነይሩ ኢለን ። ዝሓለፈ ዓመት ጉድለታት ኣሰራርሓ ዝነበሮ ተኣሪሙ ናብ ስራሕ ዝተኣተወሉ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዲፕሎማሲያዊ ተፅእኖታት ተፃዊራ ህልውንኣ ዘኽበረትሉ ከምዝነበረ እውን ገሊፀን። ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝሓሸ ምንቅስቃስ ዝተመዝገበሉ ነይሩ ዝበላ ፕረ. ሳህለወርቅ ኣብ ህንፀት ዴሞክራሲ ዝተሰርሐ እውን ዝተባባዕ ነይሩ ኢለን። ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝተሰርሑ ስራሕቲ እውን ውጽኢታዊ ነይሮም ኢለን። ብኣንፃሩ ድማ ካብ ኮቪድ ክሳብ ፀጥታ፣ካብ ምንዋሕ ምርጫ ክሳብ ወራር ኣንበጣ ኢትዮጵያ ዝተፈተነትሉ ኮይኑ ሓሊፉ ክብላ ገሊፀን። ኣብ 2013 ዓ.ም ትኹረት ዝወሃቦ ጉዳያት ኣብ ትሕቲ ተፅዕኖ ስምዒትን ጉልበትን ወዲቑ ዝነበረ ሃዋህው ዴሞክራሲ ብሕግን ስርዓትን ክምራሕ መንግስቲ ትኹረት ሂቡ ክንቀሳቐስ እዩ ኢለን። ፕሬዝዳንት ሳህለወርቅ ኣብዚ ተታሒዙ ዘሎ ዓመት ካብ መንግስቲ ወፃኢ ዝኾነ ይኹን ኣካል ኣፅዋር ሒዙ ከይንቀሳቐስ ክግበር እዩ ኢለን ኣለዋ። ፍትሓውን ናይ ህዝቢ ፍቓድን ዝተረጋገፀሉ፣ዓለምለኸ መመዘኒታት ዘማልአ ሃገራዊ ምርጫ ከምዝካየድ ሓቢረን። ኣብቲ ስነስርዓት ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ሓመድ፣ዲፕሎማትን ኣጋይሽን ተረኺቦም ነይሮም ይብል ፀብፃብ መስፍን ኣራጌ ካብ ደሴ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/a-wide-range-of-activities-will-be-undertaken-in-ethiopia-said-president-sahlework\/5609563.html"} {"headline":"ህውሓት ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ዝርከቡ ኣባላቱ ከምዝወፁ ኣፍሊጡ:ግብረመልሲ ፈደራል መንግስቲን","content":"ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ዝርከቡ ኣባላቱ ካብ ሎሚ ዕለት ጀሚሩ ከምዝወፁ ኣፍሊጡ:: ኣባል ፈፃሚ ስራሕ እቲ ውድብ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ከምዝገለፅዎ: ውድቦም ካብ ሎሚ ጀምሩ ብፌደራል ብርኪ ሕጋዊ መንግስቲ የለን ኢሉ ስለዝኣምን ኣብ መንግስቲ ፌደራል ዘለዉ ኣብ ሹመት ዝርከቡ ኣባላት ህወሓት ከምዝለቁ ገሊፆም:: ክልል ትግራይ ሃገራዊ ምስ ዝኾኑ ንህዝቢ ቁጠባውን ማሕበራዊን ረብሓ ካብ ዝህቡን ብተወሳኺ ድማ ናይ ፍትሒ ትካላት ጥራሕ እዩ ርክብ ዝህልዎ ኢሎም:: ኣይተ ጌታቸው ኣብያተ ምኽሪ ፌደረሽን ወከልቲ ህዝቢ ፌዴራል ሎሚ ብሓባር ኣብዘካየድዎ ኣኼባ ተወከልቲ ክልል ትግራይ ከምዘይተሳተፉ:ውድቦም ህወሓት ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብቶም ኣብያት ምኽሪ ዝርከቡ ኣባላቱ 'ሕጋዊ ብዘይምኻኖም' ለቒቖም ኣለው ኢሎም::ብተወሳኺ እውን ብፖለቲካዊ ሹመት ኣብ መንግስቲ ፌደራል ዝርከቡ ኣባላት እቲ ውድብ ክለቁ መምርሒ ከምዝተውሃቦም ሓቢሮም:: ትግራይ ድሕሪ ሐዚ ምስዞም ትካላት ርክብ ኣይህልዎን ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ሃገራዊ ምስ ዝኾኑ ንህዝቢ ቁጠባውን ማሕበራዊን ረብሓ ምስ ዝህቡን ብተወሳኺ ድማ ናይ ፍትሒ ትካላት ጥራሕ እዩ ርክብ ዝህልዎ ኢሎም:: ህወሓት ሃገራዊ ፀገም ንምፍታሕ ኩሉ ዘካተተ ሃገራዊ መድረኽ ክዳለው ፀዊዑ’ሎ:: ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ፈደረሽን ኢትዮጵያ አቶ አደም ፈራህ 3ሰነ 2012 ኢትዮጵያ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሕገ መንግስታዊ ከይዲ ብዝሓለወ ምርጫ ክናዋሕ ጌሩ’ዩ:እንተኾነ ነቲ ሕገ መንግስቲ ዘይግዝኡ: ሰላም ዘይደልዩን ጉጅለታ ነቲ ህዝቢ ንምድንጋር ይሰርሑ ኣለው ኢሎም:: ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8B%88%E1%8A%A8%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2%E1%8A%95-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8D%8C%E1%8B%B4%E1%88%AC%E1%88%BD%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B1-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%8D%81-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5609395.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ግብረ ሸብራዊ መጥቓዕቲ ንምፍጻም ዝተዳለወ ኣጽዋርን ተጠርጠርቲን ምትሓዞም ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሃይማኖታውን ህዝባውን በዓላት ግብረ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ንምፍፃም ዝተዳለወ ዝተባህለ ኣፅዋርን ተጠርጠርትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምውዓሉ ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ከንቲባ ከተማ ሃይቅ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም። ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ወሎ ኣቶ ሰይድ መሓመድ እቲ ፈተነ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኣምሓራን ኦሮሞን ግጭት ንምፍጣር ነቲ ለውጢ ዝዕንቅፉ ሃይማኖታውን ህዝባውን በዓላት ብዝተረጋግአ መንፈስ ከይካየድ ንምግባር እዩ ኢሎም። ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕነትን እቲ ግብረ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ክፍፀም ዝተሓሰበ ሒደት ናይ ህውሓት ናይ ጥፍኣት ጉጅለታት ኢሉ ብዝፀውዖምን ብኦነግ ሸኔን ምዃኑ ንመራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝዘርግሐ ሓበሬታ ሓቢሩ ይብል። ኣብቲ ጉዳይ ምላሽ ዝሃቡ ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣይተ ነጋ አሰፋ: ህወሓት ንናይ ሃገር ሰላም ምርግጋፅ ዝሰርሐ: ኣብ ፖለቲካ ድማ ፊት ንፊት ዝገጥም ውድብ እምበር ኣብ ከምዚ ዓይነት ዝወረደ ተግባር ከምዘይሳተፍ ይፍለጥ እዩ ኢሎም:: ንሶም ወሲኾም እዚ ዝቐረበ ክሲ መንግስቲ ፌደራል ዓቕሙ ከምዝተዳኸመን ብተወሳኺ እውን ተስፋ ከምዝቖረፀን መርኣዪ እዩ ብምባል ተዛሪቦም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%B8%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%8C%BB%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%B3%E1%88%88%E1%8B%88-%E1%8A%A3%E1%8C%BD%E1%8B%8B%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8C%A0%E1%88%AD%E1%8C%A0%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%88%93%E1%8B%9E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5606663.html"} {"headline":"ተወላዶ ኦሮሞ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኡን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዶም","content":"ማሕበረሰብ ኦሮሞ ዋሽንግተን ዲሲ ዘተሓባበሩዎም ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብዚ ኣብ ዋንሽንግተን ዲሲ ይካየድ ኣሎ። ናይቲ ሰልፊ ኣተሓባባሪ ኣቶ ኣሰፋ ኪቲል መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና የውርዶ ዘሎ ዝበሉዎ መጠነ ሰፊሕ ጭቆና ንምቅላዕን መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉ ብምዃኑ ንህዝቢ ዓለም ንምፍላጥን’ቲ ሰልፊ ምክያዱ ገሊጾም። ካብ ዋሽንግተን ዲሲን ካናዳ ሓዊሱ ካብ መላእ ሰሜን ኣሜሪካን ዝተኣኻኸቡ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰልፈኛታት ብምውሳኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ማእሰርቲ፣ ቅትለት ይፍፅም ኣሎ ይብሉ። ኣቶ ኣሰፋ ወሲኾም ንህዝቢ ኦሮሞ ይውክሉ እዮም ዝብሃሉ መራሕቲ እናኣረየ ኣሸባሪ ዝብል ሽም እናሃበ ናብ ቤት ማእሰርቲ የእትዎም ኣሎ ኢሎም ። ሰልፈኛታት ኣብ ዋይት ሃውስ፣ባንኪ ዓለም፣ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢን ካፒቶል ሂልን ብምኻድ ድምፆም ከምዘስምዑ ገሊፆም ኣለው። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B6-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9E-%E1%8B%8B%E1%88%BD%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%89%B0%E1%8A%95-%E1%8B%B2%E1%88%B2%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%8A%A1%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%88%9E-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D-\/5606629.html"} {"headline":"'ኣንጻር ህላዌ`ዛ ሃገር ዝሰርሑ ሓይልታት ከቶ ኣይክዕወቱን`ዮም'ሽመልስ ኣብዲሳ","content":"ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ፥ ኣንጻር ህላዌ`ዛ ሃገር ዝሰርሑ ሓይልታት ከቶ ኣይክዕወቱን`ዮም ኢሉ። ንብቕዓትን ዕማመታትን ሓይልታት ጸጥታ ኣፍልጦ ንምሃብ ኣብ ክልል ደቡብ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት መደረ ዘስምዐ ፕረዚድነት ክልል ኦሮሚያ፥ ኣቶ ሽመልስ፥ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ክትቅጽል`ያ፥ እቶም ኣንጻራ ዝሰርሑ ግን ክቕህሙ`ዮም ኢሉ። ኣብቲ በዓል ፕረዚደንት ክልል ደቡብ ኣቶ ርስቱ ዪርዳው`ውን መደረ ኣስሚዑ ኔሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%8C%BB%E1%88%AD-%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8C-%E1%8B%9B-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%88%91-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%89%B6-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8A%AD%E1%8B%95%E1%8B%88%E1%89%B1%E1%8A%95-%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%88%BD%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%B2%E1%88%B3\/5605112.html"} {"headline":"ህዝቢ ምስ ህዝቢ - ክትዕ ትራምፕን ባይደንን ብዓይኒ ተንተንቲ","content":"ፈላማይ ክትዕ 2020 ፕረዚደንታዊ መረጻ ዩናይትድ ስቴትስ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኦሃዮ ተካይዱ ኣሎ። እንተኾነ ካብ ትጽቢት ተዓዘብቲን መረጽቲን ወጻኢ፣ ኣብ ልዕሊ ኣማራጺ ፖሊሲታትን ኣንፈታትን 'ምኹላፍ፣ ምዝንጥጣል፣ ካብ ዝቀረበ ሕቶ ወጻኢ ውልቃዊ ሪኢቶታትን ግብረ መልሲታትን ዝዓብለሎ' ኮይኑ ተዛዚሙ ኣሎ። ኣጋይሽና ካብ ሰልፊ ሪፐብሊካዊያን ኣቶ ላባን ስዩም 'ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ክንዲ ንትራምፕ ብገዛ ባዕሉ ክወድቅ ዘፍቅደሉ እናድሐኖ እዩ ተራእዩ' ኢሉ ክገልጾ ከሎ ዶ\/ር በርሀ ሃብተጊዮርጊስ ብወገኖም 'ከምዚ ዝዓይነቱ ኣገባብ ዘይሓዘ መድረኽ ክትዕ ኣጋጢሙኒ'ውን ኣይፈልጥን' ይብሉ። ካልኣይ ዙር ክትዕ ትራምፕን ባይደንን ድሕሪ ክልተ ሰሙን ኣብ ክፍለ ግዝኣት ፍሎሪዳ ከተማ ሚያሚ ክካየድ እዩ። ዝቅጽል ሰሙን ናይ ክልቲኦም ሕጹያት ሚክትላት ዲሞክራሲያዊት ካሚላ ሃሪስን ምክትል ፕረዚደንት ማይክ ፐንስን ክትዕ ክህልዎም እዩ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/trump-biden-presidential-debate-laban-syum-berhe-habtegiorgis-\/5603890.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲያዊ ዝግግር ፈሺሉ ኢሉ ኦፌኮ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲያዊ ስግግር ንምምፃእ ዝነበረ ተስፋ ፈሺሉ ክብል ናይኦሮሞ ፌደራላዊ ኮንግረስ \\ኦፌኮ\\ ኣፍሊጡ።ናይዚ ቅልውላው ቀንዲ ምኽኒያት ገዛኢ ፓርቲ ይኽተሎ ብዘሎ ኣግላሊ ሓባሪ መንገዲ ስግግር \\ፍኖተ ካርታ\\ ምኳኑ ይኸስስ። ገዛኢ ፓርቲ ብወገኑ እቲ ስግግር ኣብ ፅቡቕ መንገዲ ከምዘሎ ብምሕባር ኣብ ቀንዲ ሃገራዊ ጉዳያት ምስ ተቓወምቲ ፓርትታት ይመክር ከምዘሎ ገሊፁ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopian-democratic-transition-faild-said-opposition-party-ofc\/5603690.html"} {"headline":"ፕሮፌሰር መስፍን ወልደማሪያም ኣብ መበል 90 ዓመቶም ዓሪፎም","content":"መምህር፣ፖለቲከኛ፣ደራሲን ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላትን ዝነበሩ ፕሮፌሰር መስንፍ ወልደማሪያም ኣብ መበል 90 ዓመቶም ዓሪፎም። ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ብሞት ፕሮፌሰን መስፍን ዝተሰምዖም ሓዘን ብምግላፅ ምልክት ልዕልነት ሓሳብ፣ምርኣያ ሰላማዊ ቓልሲ፣ንዝኣመንሉ ነገር ክሳብ መወዳእታ ተማጓቲ ክብሉ ገሊፆምዎም ኣለው። ንስድርኦምን ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ፅንዓት ተመኒዮም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/renowned-politician-author-and-human-right-defender-professor-mesfin-woldemariam-dies-at-90\/5603662.html"} {"headline":"ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ባይቶ ይኣክል ኣመሪካ፥ ኣብ ኤርትራ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ክቀላጠፍን ግዝኣታዊ ሓድነትን ልዑላውነትን ሃገርን ህዝብን ንምርግጋጽ ከምዝሰርሕን ኣብ ዕላምኡ ዘርዚሩ","content":"ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ባይቶ ይኣክል ኣመሪካ፥ ዝሓለፈ ዓርብን ቀዳምን ኣብ ዘካየዶ ፈላማይ ጉባኤኡ ኣብ ኤርትራ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ክቀላጠፍን ግዝኣተ ሕጊ ዝኽበረላን ብቅዋም ትምራሕን ኤርትራ ክርኢ ከምኡ`ውን ግዝኣታዊ ሓድነትን ልዑላውነትን ሃገርን ህዝብን ንምርግጋጽ ከምዝሰርሕ ኣብ ዕላምኡ ዘርዚሩ`ሎ። ተወልደ ወ\/ገ ነቲ ብርሕቐት ዝተኻየደ ኣኼባ ድሕሪ ምክትታል፡ ካብ ኣወሃሃድቲ'ቲ ጉባኤ ንዝኾነ ንኣቶ መድሃኔ ተስፋሃንስ ኣዘራሪብዎ፡ ትማሊ ሕጽር ዝበለ ምቕራብና ይዝከር፡ ንሎሚ ድማ ካብቲ ደው ዘበልናዮ ክንቅጽል ኢና። ኣቶ መድሃኔ፡ ባይቶ ይኣክል ካብተን ካልኦት ውዱባት ዝፈልዮ ብምግላጽ ይጅምር፥ No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5602958.html"} {"headline":"ኣብ ዙርያ ዓለም በዝሒ ሞት ኮቪድ-19 1 ሚልዮን በጺሑ","content":"ብደረጃ ዓለም ብኮቪድ-19 በዝሒ ዝሞቱ፣ ሰባት ልዕሊ 1 ሚልዮን ከምዝበጽሐን በዝሒ ዝተለኸፉ ድማ ልዕሊ 33 ሚልዮን ከምዝኾነን ማእከል መጽናዕቲ ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ኣፍሊጡ። ብዛዕባ’ቲ ክስተት ‘ኣሰምባዲ እምነ ኲርናዕ’ ኢሎም ዘልቀሱ ዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃ አንቶንዮ ጉተረዝ ‘ዓለም ንብድሆ ለበዳ ኮቪድ 19 ንምስዓርን እቲ ቫይረስ ኣብ ፈለማ እዋን ክራኣይ ምስጀመረ ዝተፈጸመ ጌጋ ንዘይምድጋም ክንማሃረሉ ይግባእ’ ኢሎም። ‘ተሓታታይነት ዝስመዖ መሪሕነት ምርካብ ኣገዳሲ’ዩ’ ዝበሉ ሚስተር ጉተረዝ ‘ሕብረት ረባሒ እዩ፣ ምድንጋር ግና ይቀትል’ በሉ። ብቫይረስ ኮሮና ዝላዓል ኮቪድ 19፣ መንቀሊኡ ከተማ ቻይና ውሃን ከምዝኾነት’ዩ ዝግለጽ። እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ኩባንያ መድሓኒት Abbott ን SD Biosensoን ምስ ፋውንዴሽን ቢልን ሜሊንዳ ጌትን ተሓባቢሮም፣ 120 ሚልዮን መርመርመሪ ቫይረስ ኮሮና፣ ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ ናብ ተጠቀምቲ ከምዘባጽሑ፣ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ\/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣፍሊጦም። ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብወገኖም፣ 150 ሚልዮን መመርመሪ ኮቪድ 19 ከምዘቅርቡ ቃል ኣትዮም አለው። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5602366.html"} {"headline":"ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ባይቶ ይኣክል ኣመሪካ፥ ዝሓለፈ ዓርብን ቀዳምን ፈላማይ ጉባኤኡ ኣካይዱ ኔሩ","content":"እቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ፥ ኣብ ኤርትራ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ንምቅልጣፍ ከምዝሰርሕ ብምግላጽ፥ ግዝኣተ ሕጊ ዝኽበረላን ብቅዋም ትምራሕን ኤርትራ ክርኢ ከምዝደሊ፥ ከምኡ`ውን ግዝኣታዊ ሓድነትን ልዑላውነትን ሃገርን ህዝብን ንምርግጋጽ ከምዝሰርሕ ኣብ ዕላምኡ ዘርዚሩ`ሎ። ባይቶ ይኣክል ኣመሪካ ኣብቲ ጸብጻቡ፥ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምሕጋዝ`ውን ናይ ገንዘብን፡ መሳርሕታት መከላኸሊ ኮሮናቫይረስን ብምስዳድ ድጋፍ ከም ዝገበረ ኣፍሊጡ፡ No media source currently available ተወልደ ወ\/ገ ነቲ ብርሕቐት ዝተኻየደ ኣኼባ ተኸታቲልዎ ኔሩ፡ ንሎሚ ኣሕጽር ኣቢሉ ብምቕራብ፥ ንጽባሕ ሰሉስ ብስፍሕ ዝበለ ኣዳልዩዎ`ሎ- ናብ ተወልደ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5601000.html"} {"headline":"ኣብ ኤርትራ ኣባላት G-15ን ጋዜጠኛታትን ዝተኣሰሩላ 18 መስከረም ንምዝካር ኣብ ዋሺንግተን ምድላዋት ተኻይዱ ኔሩ","content":".18 መስከረም 2001 ዓ\/ም ኣብ ኤርትራ ኣባላት G-15 (ጉጅለ 15) ተባሂሎም ዝፍለጡ ላዕለዎት መንግስታዊ ሰበ ስልጣን፣ ናይ ውልቀን ጋዜጠኛታትን ዝተኣሰሩላ ዕለት እያ። መንግስቲ ኤርትራ ብክሕደት ሃገር ይኸሶም። ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ኤውሮጳን ዩናይትድ ስቴትስን ዝነበሩ ገለ ኤርትራዊያን፣ ነዛ ዕለት'ዚኣ ንምዝካር ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተፈላለዩ ምድላዋት ከምዝገበሩ ዝዝከር እዩ። ሎም ዘበን'ውን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ምድላዋት ዝገበሩ ኣለው። አዘራሪብናዮ ኣለና። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5597877.html"} {"headline":"ድሕሪ ኣሰሓሓቢ ምርጫ ክልል ትግራይ ፕረዚደንት'ቲ ክልል ኮይኖም ዝተመርጹ ዶ\/ር ደብረጽየን 'ፈደራላዊ ስርዓት ሓዲሽ ምትዕርራይ ዝደሊ`ዩ' ኢሎም","content":"\"እዚ ፈደራላዊ ስርዓት ሓዲሽ ምትዕርራይ ዝደሊ ናይ ኩልና ማዕርነትን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ዝድለ ሓድነትን ዘረጋግጽ ቀጻሊ ምትዕርራያት ዝግብኦ ምዃኑ ሓቢርና ክንሰርሕ ንኽእል ምዃና'ውን በዚ ኣጋጣሚ ክንገልጸልኩም ንፈቱ\" እቲ ክልል ካብ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተፈልዩ ኣብ ዘካየዶ መረፃ ዝሰዓረ ውድብ ህወሓት ሎማዓንቲ ሓዱሽ መንግስቲ እቲ ክልል መስሪቱ። ኣብዚ ምስረታ ሓዱሽ ባይቶ እቲ ክልል ስርሑ ዝጀመረ ኮይኑ ፕሬዝደንት እቲ ክልል ኮይኖም ዝተሾሙ ዶክተር ደብረፅዮን እውን ቃለ መሓላ ፈፂሞም። 'ፌደራላዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ከም ብሓዱሽ ዝተዓራረየሉ እዋን በፂሑ ኣሎ' ኢሎም እቶም ፕሬዝዳንት። 'እዚ ፈደራላዊ ስርዓት ሓዲሽ ምትዕርራይ ዝደሊ ናይ ኩልና ማዕርነትን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ዝድለ ሓድነትን ዘረጋግጽ ቀጻሊ ምትዕርራያት ዝግብኦ ምዃኑን ሓቢርና ክንሰርሕ ንኽእል ምዃና'ውን በዚ ኣጋጣሚ ክንገልጸልኩም ንፈቱ\" ኢሎም ዶ\/ር ደብረጽየን ገ\/ሚካኤል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5596684.html"} {"headline":"10 ብሽም ኣምሓራን ኦሮሞን ዝተወደቡ ፖለቲካዊ ውዱባት፥ ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ስምምዕ ተፈራሪሞም።","content":"10 ብሽም ኣምሓራን ኦሮሞን ዝተወደቡ ፖለቲካዊ ውዱባት፥ ናይ ሓባር ፖለቲካዊ መትከላቶም ኣብ ዘርኢ ናይ ሓባር መግለጺ ተፈራሪሞም። ኣብቲ ናይ ሓባር መግለጺኦም ቀጻሊ ሃገራዊ ዘተን ንምክያድ ከምኡ`ውን ትካል መጽናዕቲ ብሀረሰባት ክምስረት ምስምምዖም ተሓቢሩ`ሎ። ካብ መንጎ`ቶም ውድባት ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ፥ መላእ ኣምሓራ፥ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፥ ፈደራሊስ ኮንግረስ ኦሮሞ ይርከብዎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5595339.html"} {"headline":"ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡  ፓርላማ ኢትዮጵያ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ንክካየድ ዘመሓላለፎ ውሳነ ተቐባልነት የብሉን ኢሉ","content":"ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ፓርላማ ኢትዮጵያ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ንክካየድ ዘመሓላለፎ ውሳነ ብዘይ-ሕጋዊ መንግስቲ ዝትግበርን ተቐባልነት ዘይብሉን እዩ ኢሉ ። ሓላፊት ርክብ ህብን መንግስት ክልል ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ንቪኦኤ ከትገልጽ ከላ፥ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ሕጋዊነቱ ድሕሪ 25 መስከረም ስለዘብቅዕ: ቅቡልነት ዘለዎ ምርጫ ንምክያድ በዓል ሓደራ መንግስቲ ክትከል ኣለዎ ኢላ:: ህወሓት ዝርከቦም ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ውድባት መንግስቲ ፌደራል ኣብ ዘሰናድኦ ምርጫ ክሳተፉ ድዮም ዝብል ተሓቲታ: እቲ ምርጫ ሕጋዊ ኣይኮነን፥ ጉዳይ ተሳትፎ ግን ብውድባት ዝውሰን እዩ ኢላ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5595335.html"} {"headline":"ሕብረት ኤውሮጳ ንስደተኛታት ዝምልከት ሓዲሽ መደብ ኣውጺኡ.","content":"እዚ ድሕሪ 5ተ ዓመት ቅልውላው ማይግረሽን ዝመጸን ነዊሕ ትጽቢት ዝተገብረሉን ፖሊሲ ሕብረት ኤውሮጳ፥ ሃገራት ነቲ ጾር ክካፈልኦ ዘገድድን፥ ዘይሕጋዊ ሰደተኛታት ናብ ዓዶም ከምዝምለሱ ዝገብርን`ዩ። እቲ ብተረኛ ፕረሲደንት`ቲ 27 ሃገራት ዘለውኦ ደምበ ዝኾነት ጀርመን ዝተደገፈ ፖሊሲ፥ ሃገራት ንሓተቲ ዑቕባ ኮነ ነቶም ዝተነጽጉ`ሞ ናብ ሃገራቶም ዝምለሱ ኣብ ዝምልከት ኩለን ሃገራት ነቲ ጾር ናይ ምሽካም ሓላፍነት ክወስዳ ዘገድድ`ዩ። ከምኡ ዶባት ኤውሮጳ ተወሳኺ ምቁጽጻር ክግበረሉን ኣብ ልዕሊ ኣሰጋገርቲ ደቂሰባት ተሪር ስጉምቲ ክውሰድን ይጽውዕ- እቲ ሓዲሽ መደብ ሕብረት ኤውሮጳ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5595330.html"} {"headline":"ፈደራል ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ጃዋር መሓመድን በቀለ ገርባን ኣጽዋር ብረት ሒዝካ ህውከት ብምልዕዓልን ኩናት ሕድሕድ ብምትኹቷኹን ክሲ መስሪትሎም","content":"ፈደራል ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ጃዋር መሓመድን በቀለ ገርባን ዝርከብዎም 23 ተኸሰስቲ፥ ኣጽዋር ብረት ሒዝካ ህውከት ብምልዕዓልን ኩናት ሕድሕድ ብምትኹቷኹን ገበንን ከምኡ`ውን ብናይ ሽበራ ገበን ክሲ መስሪትሎም። በዓል ኣቶ ጃዋር ብወገኖም፥ እቲ ክሲ ናይ ሓሶት ክሲ ከምዝኾነን፥ መንግስቲ ካብ ምርጫ ከግሎም ኢሉ ዝገበሮ`ዩ ክብሉ ተቓዊሞም። ፈደራል ዓቃቢ ሕጊ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ኦሮሞ ሚድያ ነትወርክ`ውን ተመሳሳሊ ክሲ መስሪቱ`ሎ። ቤት ፍርዲ ድማ ዝተፈላለየ ትእዛዛት ሂቡ`ሎ። በዓል ኣቶ ጃዋር መሓመድ ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ሁንደሴ ብዝተላዕለ ህውከት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5592240.html"} {"headline":"ቂሐ-ጽልሚ፥ ሓንሰ መስቀለ፡  መንእሰይ ማሰይናይ፡  ከምኡ ድማ ነባር ሃራሚ ጭራ ዋጣ ብርሃነ ወልዱ","content":"መንእሰይ ኣብርሃም ሽመንዲ ካብ ኣስመራ፡ ኣብ ማሰን መልቀስን ልዑል ፍቕርን ተገዳስነትን ዘርኣየን ዘማዕበለን መንእሰይ'ዩ። ሚልዮን ኣብርሃም ካብ ቶሮንቶ ድማ፡ ኣብ በዓላት ሓንሰ መስቀለ፡ 'ዓኾዃይ ዓኾዃይ፡ ቁራዕ ሓምሊ ውጻእ ቁራዕ ጠስሚ እቶ' ምባል ባህ ይብሎ። ኣብ ኣስመራን ኪነዉን ፍሉጥ ሃራማይ ዋጣ ዝነበረ ብርሃነ ወልዱ ኣብ ትግራይ ዋጣ ብዙሕ ከምዘይቀደወቶ'ዩ ዝገልጽ። ብምኽንያት ኣብ ፍቕሪ ዋጣ እናጎደለ ዝኸደ ተገዳስነት። ኩሉ ኣብ መደብ ቂሐ ጽልሚ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5589201.html"} {"headline":"ሃገራዊ ምርጫ ምክያድ ይክኣል እዩ ኢለን ምንስቴር ጥዕና ኢትዮጵያ","content":"ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቅድመ ኩነታት ተማሊኦም ሃገራዊ ምርጫ ምክያድ ከምዝክኣል ካብ ምንስቴር ጥዕና ዝቐረበሉ ምኽረ ሓሳብ ሰሚዑ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ መናእሰይ፣ህፃናትን፣ማሕበራዊ ጉድያትን መሪሑዎ።ናይቲ ቤት ምኽሪ ናይ መወዳእታ ውሳነ ምስ ፈለጠ ግቡእ ስጉምቲ ከምዝወስድ ቦርድ ምርጫ ኣፍሊጡ። ምንስቴር ምንስትሪ ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ተናዊሑ ዝነበረ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ሓድ ሓደ ቅድመ ኩነታት ብምምላእ ምክያድ ከምዝክኣል ሎማዕንቲ ዓርቢ ንቤት ምኽሪወከልቲ ህዝቢ ሓሳብ ኣቕሪበን። ኢትዮጵያ ንኮቪድ ንምክልኻል ዝረኸበቶ ተመኩሮን ዘለዋ ዓቕምን ብግላፅ ምርጫ ንምክያድ ክግበሩ ዘለዎም ጥንቃቐታት ሓቢረን። ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝነበረ ከይዲ ምርጫ ብዝተፈለየ ኣገባብ ምክልኻል ኮቪድ-19 ኣብ ግምት ዘእተወ ናይ ምርጫ ሕግን መፈፀሚ መምርሒታትን ምድላውን ኣብ ኩሉ ደረጃ እኹል ምድላው ብምግባር ናብተግባር ምእታው ከድሊ እዩ ኢለን። ‘’ኣብ ገለ ከባቢታት ዝለዓለ ምፍሕፋሕ ናይቲ ለበዳ እንተጋጢሙ ብዝተፈልየ ኩነታት ምርኣይ ከምዘድሊ ኣብ ግምት ብምእታ ምድላው የድሊ እዩ’’ ኢለን ዶክተር ሊያ ብምውሳኽ። ቦርድ ምርጫ በዚ መንፅር ዘለዎ ድልውነት ክገልፃ ዝተሓተታ ሓላፊት ኮምኒኬሽን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ወይዘሪት ሶሊያና ሽመልስ‘’እቲ ውሳነ ምስፀደቐ ናባን ክመፅእ ትፅቢት ንገብር።ተፀዋዕነትና ንቤት ምኽሪ ስለዝኾነ ናብ ቦርድ ምስመፀ እቲ ቦርድ ተዘራርቡ ዝቕፅሉ ስራሕቲ ንህዝቢ ክፍልጥ እዩ’’ ኢለን። እተን ምንስቴር ብዛዕባ ምኽፋት ኣብያተ ትምህርቲ እውን ተዛሪበን ኣለዋ።ኣብያተ ትምህርቲ ዳግም ንምኽፋት ብውድብ ጥዕና ዓለም ብዝተቐመጡ መለክዒታት ኣድላይ ጥንቃቐ ብዘማልአ ኩነታት ኣብያተ ትምህርቲ ከከም ከባቢኡ ምስፍሕፋሕ ናይቲ ሕማም ኣብ ግምት ብዘእተወ ምኽፋት ይክኣል እዩ ኢለን። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ዝቐረበ ጉዳይ ብምዝርራብ ንቀዋሚ ኮሚቴታት ጉዳያት መናእሰይ፣ህፃናትን ማሕበራዊን ከምኡ እውን ንፍትሕን ዴሞክራስን ምልኣኹ ተፈሊጡ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/health-ministry-recommends-holding-elections-in-ethiopia\/5588967.html"} {"headline":"ትግራይ-ውቕሮ ፥- ኣብነታዊት ጓል ኣንስተይቲ ናፃነት ሃይለሚካኤ።","content":"ናፃነት ሃይለሚካኤል ገና ሰገን ጓል 16 ዓመት እናሃለወት እያ ናብ ስደት ዘምረሐት። ቀልባ ናብ ስደት ምስ ነቀለ 10 ክፍሊ ትምህርቲ ምስ ወደአት ጉዕዞ ጀሚራ ናብ ዓዲ ዓረብ። ኣብ ዓዲ ዓረብ ን11 ኣዋርሕ ተኣሲራ። ኮይኑ ግዜ ቤት ህንንጸት ዘሕለፈቶም ኣዋርሕ ሓደ መፅሓፍ እያ ክትፅሕፈሉ ዝከኣለት ኣብነታዊት ጓል ኣንስተይቲ እያ ናፃነት ሃይለሚካኤል። ኣለም ፍሰሃ ምስ ናፃነት ሃይመሚካኤል ዝገበሮ ሙሉእ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ምስማዕ ይከኣል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5587767.html"} {"headline":"'መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣዕጋቢ ኣይኮነን' ይብሉ ተንተንቲ","content":"‘ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ቅድሚ ክልተ ዓመታት ንውዕል ሰላም ዋላ’ውን እንተተፈራረማ ዝራኣይ መኽሰብ ኣይተረኸበሉን። ንግዳዊ ርክብ የለን፣ ኣብ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ሎሚ’ውን ውጥረት አሎ’ ይብሉ ተንተንቲ። ‘ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳቡብ ክልል ትግራይ ዘለው ብርቱዓት መራሕቲ፣ ምስ መራሕቲ ኣስመራ ነባራይ ውዕል ሰላም ክበጽሑ ይግባእ’ ባሃልቲ እዮም። ተንተንቲ ከምዝብልዎ ‘ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ክልል ትግራይን ዝጸንሐ ታሪኻዊን ዓሚቅን ውጥረት፣ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ንግዳዊ ርክብ ንከይቅጽል ጠንቂ ኮይኑ ከምኡ ኮይኑ’ውን ብዙሓት ከባቢታት ብከቢድ ኣጽዋር ዝተሓጸረ ኮይኑ ከምዝርከብ’ ይዛረቡ። ሰላም ታደሰ ደምሴ ‘ካብ’ቲ ውዕል ሰላም ብዙሕ ተጸቢና ኢና። ብመንጽር ጊዜ ክንሪኦ ከለና፣ ክልተ ዓመት ሓሊፉ ኣሎ። ስለዚ ኣብ’ዚ ጊዜ’ዚ ብርክት ዝበሉ ፍረታት’ቲ ውዕል ሰላም ንረኽበሉ ጊዜ’ዩ ነይሩ። አብ ባይታ ዝራኣይ ዘሎ ግና ኣንጻሩ እዩ’ በለት። ብዘይካዚ፣ መስርሕ ምጥራር ዶብ ኣይተሳለጠን። ብሕልፊ ኣብ ከባቢ’ታ ኮምሽን ዶብ ንኤርትራ ዝወሰነላ ከተማ ባድመ። ሰላም ታደሰ፣ ማርቲን ፕላውት ብወገኑ ‘ ንኢትዮጵያ ንዝሓለፉ ኣስታት 30 ዓመታት ዝመርሑንን ሎሚ ኣብ ትግራይ ስልጣን ሒዞም ዘለውን መራሕቲ ትግራይ ለውጢ ክሳብ ዘይተራኣየ፣ እቲ ውዕል ሰላም ንቅድሚት ንምድፋእ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ’ ይብል። መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝሓለፈ ሓምለ ኣብ ኤርትራ ተራኺቦም ነይሮም። ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ስነ ስርዓት ሃገራዊ ኣገልግሎት ተረኺቦም እዮም። እቲ ፕሮግራም ኣስገዳድ ምልመላ እዩ ተባሂሉ ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ዝንቀፍ መደብ እዩ ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-eritrea-peace-deal-after-two-years-less-fruits\/5587645.html"} {"headline":"ኣቶ ልደቱ ኣያሌው ዘይሕጋዊ ብረት ብምሓዝ ተኸሲሶም","content":"መስራቲ ናይ ኢትዮጵያ ዴሞክራቲክ ፓርትን ኣባል ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ናይቲ ፓርቲን ዝኾኑ ኣቶ ልደቱ ኣያሌው ዘይሕጋዊ ብረት ብምሓዝ ገበን ከም ዝተኸሰሱ ናይቲ ፓርቲ ኣቦ ወንበር ኣቶ ኣዳነ ታደሰ ገሊፆም። ጉዳይ ኣቶ ልደቱ ካብ ከተማ ቢሸፍቱ ወፂኡ ሎማዕንቲ ኣብ ከተማ ኣዳማ ተራኢዩ ኣሎ። ኣቶ ልደቱ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ቤት ፍርዲ ቢሾፍቱ ቀሪቦም መዝገቦም እንተተዓፀወ እውን ብነፃ ይኹን ብዋሕስ ክፍትሑ ከምዘይክኣሉን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ፀኒሖም ካሊእ ክሲ ከምዝተመስረቶም ኣቶ ኣዳነ ገሊፆም። ኣቶ ልደቱ ኣያሌው ቅድሚ ኣዋራሕ ኣብ ከተማ ቢሸፍቱ ኣብ ዝነበረ ዘይምርግጋእ ኣተሓባቢሮምን ደጊፎምን ብዝብል ተጠርጢሮም ተኣሲሮም ከምዝርከቡ ይፍለጥ። ብኻሊእ ዜና ገበናት ሽብር ንምቁፅፃርን ንምክልኻልን ብዝወፀ ሕ ሓዱሽ ኣዋጅ ብምጥሓስ ዝተኸሰሱ እኒ ብዓል እስክንድር ነጋ ናይ ዋሕስ መሰሎም ክኽበረሎም ሓቲቶም።ዓቃቢ ሕጊ ተቓዊሙዎ ኣሎ።ቤት ፍርዲ ውሳነ ንምሃብ ቆፀሮ ሂቡ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/opposition-leader-lidetu-ayalew-is-charged-with-possession-of-firearms\/5587544.html"} {"headline":"ምምሕዳር ድሬዳዋ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ኣብ ቁፅፅር ኣውዒለ ኢሉ","content":"ምምሕዳር ድሪዳዋ ንስግኣት ቁጠባን ፀጥታን ምብራቕ ኢትዮጵያ ስግኣት ዝበሎ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ንምቁፅፃር ብዝወሰዶ ስጉምቲ ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ብርን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራ ገንዘብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሉ ምምሕዳር ናይታ ከተማ ኣፍሊጡ። ምኽትል ከንቲባ ምምሕዳር ድሬዳዋ ኣቶ ከዲር ጁሃር ሎማዕንቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ብዘቐመጡዎ ኣንፈት ምምሕዳሮም ዘይሕጋዊ ኣገልግሎት ዝርዝር ይህቡ ኣለው ኢሉ ኣብ ልዕሊ ዝፈለዮም ኣርባዕተ ውልቀሰባት ብዘካየዶ ሃንደበታዊ ፍተሻ ዝተፈላለዩ መጠን ዘለዎ ገንዘብ ምሓዞም ገሊፆም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-siezed-illigal-currencies\/5587526.html"} {"headline":"ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ፀገም ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ምጅማሩ ተፈሊጡ","content":"ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝለዓለ ፀገም ዝርከቡ ዜጋታት ብዝተፈላለዩ ዙራት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ስራሕ ምጅማሩ ምንስቴር ጉድያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ወሃቢ ቃል ምንስቴር ወፃኢ ኣማባሳደር ዲና ሙፍቲ ከምዝበሉዎ ብቕድሚ ትማሊ ጥራሕ ኣብ ሓደ ማዕልቲ 274 ሰባት ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም ኣለው ኢሎም። ክሳብ መወዳእታ ወርሒ መስክረም ብሰለስተ ዙራት 1,440 ዜጋታት ንምምላስ ትልሚ ከምዝተሓዘ ሓቢሮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-starts-repatriating-its-citizens-from-saudi\/5587517.html"} {"headline":"ኪም ካርዳሺያን፥  ከቲ ፐሪ፥ ሌናርዶ ዲካፕሪዮን፥ ካብ መንጎ`ቶም ኣብ ልዕሊ ፈይስቡክ ተቓውሞ ዘልዓሉ ሰለብሪቲ ኮይኖም ኣለዉ","content":"ኪም ካርዳሺያን፥ ከቲ ፐሪ፥ ሌናርዶ ዲካፕሪዮ፥ ካብ መንጎ`ቶም ኣብ ልዕሊ ፈይስቡክ ተቓውሞ ዘልዓሉ ሰለብሪቲ ኮይኖም ኣለዉ። እቲ ተቓውሞ፥ ን24 ሰዓታት ኢንስትግራም ዘይምጥቃም ዝብል`ዩ። ፈይስቡክ ጽልእን ባእስን ዘለዓዕል ትሕዝቶ ጠጠው ንኸብል ከምኡ ኣብ መስርሕ ምርጫ ጌጋ ሓበረታ ካብ ምሃብ ክቑጠብ፥ ኩሉ ሰብ ነቲ ኣካል ፈይስቡክ ዝኾነ ኢንስትግራም ን24 ሰዓታት ከይጥቀም ዝብል`ዩ። እቲ #StopHateforProfit ማለት `ጽልኢ ንመኽሰብ ደው ይበል` ዝብል ኣብ ልዕሊ ፈይስቡክ ዝግበር ጎስጓስ፥ ጽልእን ጎንጽን ዘለዓዕል ትሕዝቶታት ክንጻወሮ ኣይንኽእልን ኢና፥ ስለዚ ተቓውሞና፥ ንሓደ መዓልቲ ኢንስትግራም ብዘይምጥቃም ንግለጽ ዝብል`ዩ። ኣብ ኢንስትግራም 188 ሚልዮን ሰዓብቲ ዘለዉዋ ኺም ካርዳሽያን ወስት፡ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፥ ከም ፈይስቡክ ዝበሉ መድረኻት ማሕበራዊ ሚድያ፥ ንጽልእን ሓሶትን ፕሮፓጋንዳን ዝዕድም መድረኻት ክኾኑ ስቕ ኢለ ክርኢ ኣይክእልን`የ ኢላ ፈይስቡክ ብዛዕባ`ዚ ዳሕራዋይ ተቓውሞ ርእይቶ ኣይሃበን፥ ግን- ነቲ ዝመጽእ ሕዳር ዝካየድ ምርጫ ዩኤስ ንምሕላው፡ ጎንጺ ንዝድግፉ ጉጅለታት ቀይዲ ክገብረሎም ምዃኑ ኣቐዲሙ ኣፍሊጡ ኔሩ`ዩ። ዲካፕሪዮ`ውን ኣንጻር ምልዕዓል ጽልእን ዓለታውነትን ኣብ ጎኒ ጉጅለታት ሲቪላዊ መሰላት ደው ከም ዝብል ኣፍሊጡ`ሎ። ድሕሪ`ዞም ጸለውቲ ዝብሃሉ ስነ-ጥበበኛታት ዘቕረብዎ ተቓውሞ፥ ዕዳጋ ኣክስዮን ፈይስቡክ ክጎድል ተራእዩ`ሎ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5586246.html"} {"headline":"በብዓመቱ ዝካየድ ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብማንዛ ማለት ብቪርቹዋል ይካየድ ኣሎ","content":"በብዓመቱ ዝካየድ ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብማንዛ ማለት ብቪርቹዋል ይካየድ ኣሎ። ካብቶም ንኒውዮርክ ዘጨናንቅ፟ዋ ዓለምለኻዊ ኣኼባታት ሓደ ዝኾነን ፡ ደሕነት ተኣከብቲ ንምውሓስ ተባሂሉ ድማ በዝሒ ዘለዎም ሓይልታት ፀጥታ ዝዋፈሩሉ ዝነበሩን ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት፥ ሎሚ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ነቲ ልሙድ ቀይርዎ እቲ ጉባኤ ብማንዛ ማለት ብቨርቹዋል ይካየድ ኣሎ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5586244.html"} {"headline":"ኮቪድ 19 ኣብ ሰባአዊ መሰላት ደቂ ሰብ ዘብፀሖ ፅዕንቶ","content":"ማሕበራዊን ጥዕናውን ኣገልግሎት ንህዝቦም ዘቅርቡ መንግስታት ምስ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ተተሓሒዙ ብፍላይ ነቶም ፍሉይ ሓገዝ ዘድዮም ክፋላት ማሕበረሰብ ጥንቃቅ፟ ብዝተመልኦን ብዝጥዕምን መልክዑ ክኸውን ይግባእ ክብሉ ሰበስልጣን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተዛሪቦም። ነዚ ዝሓበሩ ኮቪድ 19 ኣብ ሰባአዊ መሰላት ደቂ ሰብ ዘብፀሖ ፅዕንቶ ብዝብል ኣብ ቤት ምኽሬ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ጉዳይ ሰባአዊ መሰላት ደቂ ሰብ ዝተኻየድ ክትዕ 'ዩ። ላዕለወይቲ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰል ሚሼል ባቺሌ ከምዝበለኦ ሓደ ሓደ ሃገራት ነቲ ቅልውላው ዝሃበኦ ምላሽ ንሰብኣዊ መሰል ደቂ ሰባት መሰረት ብዝገበረ ፖሊሲአን እዩ። ወፅእታት ክሽፍኑ ንዘይክእሉ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝረኽብሉ ኣሰራርሓ ፣ሓገዝ ገንዘብ ፣ ኣቅርቦት መግብን ካልኦት ኣድለይቲ ናውትን ብምሃብ ነቶም ብምኽንያት እዚ ለበዳ ስራሕቶም ዝሰኣኑ ምህዳኣይ ኩነታት ይፈጥሩ ። እንተ ሓደሓደ ግን ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም ክፋላት ማሕበረሰብ ፀማም እዝኒ ክህቡዎም ይረአ፤ እዚ ድማ ሰባኣዊ መሰል ደቂ ሰባት ዝሃሲ እዩ ክብላ የጠንቅቃ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5584644.html"} {"headline":"ኣብ ኡጋንዳን ብዝተፈጥረ ግጭት 10 ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን ተቐቲሎም","content":"ኣብ ሰሜናዊ ኡጋንዳ ኣብ መንጎ ነበርትን ስደተኛታትን ብዝተፈጥረ ረፅሚ እንተወሓደ 10 ሰባት ምስ ተቐትሉ ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታትን ሰበስልጣንኡጋንዳን ሰላም ንምስፋን ይሰርሑ ከምዘለዎ ኣፍሊጦም።ኣብ መንጎ ደቡብ ሱዳናዊያን ስደተኛታትን ኣተኣናገድቲ ማሕበረሰብን ብሓባር ኣብ ዝጥቀምሉ ማይ ብዝተፈጥረ ጭቕጭቕ እዩ እቲ ጉድኣት ወሪዱ።እቲ ግጭት ብዙሕ ስደተኛ ተተኣናግድ ኣብዘላ ኡጋንዳ ናይ ፀጋታት ሕፀረት ስግኣት ምዃኑ ዘጉልሀ እዩ ይብሉ ተሓልቕቲ። ናይ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት UNHCR ምርግጋእ ክፍጠርን ንስድተኛታት ዝቐተለ ህውከት ድማ ምርመራ ክካየድን ፅዊዑ ኣሎ። ዝሓለፈ ዓርቢ ብዘጋጠመ ግጭት 10 ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት 19 ድማ ቆሲሎም ኣለው። ቲካ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ናይ ገጠር ዓዲ ዝርከብ ሪኖ መዕቖቢ ስደተኛታት ክልቲኦም ሓቢሮም ኣብ ዝጥቀምሉ ማይ ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ስዒቡ ደማዊ ጎንፂ ተፈጢሩ ኢሎም ሰበስላጣን። ኣብ ኡጋንዳ ናይ UNHCR ወኪል ጆል ባውትሩ እቲ ህውከት ዘፍርሕ እዩ ኢሎም። ‘’ብኣተናገድቲ ማሕበረሰብ ዝተወሰደ መጠኑ ዝሓለፈ ግብረመልሲ እቶም ስደተኛታት ምስኡጋንዳዊያን ብሰላም ሓቢሮም ኣብ ምንባር ስግኣት ክፈጥር ከምዝኽእል መርኣያ ምልክት እዩ’’ምስበሉ ኣስዕብ ኣቢሎም‘’ሕፅረት ፀጋታት ተፈጥሮ ኣብ ዘለዎ ከባቢ ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ዓርቢሓደጋ ኣሻቓሊ እዩ’’ ኢሎም። 15 ኣባይቲ ስደተኛታት ተቓፂሎም ኣስታት 26 ኣባይቲ ድማ ከምዝተወረሩ UNHCR ሓቢሩ። ናይ ኡጋንዳ ናይ ስደተኛታት ምንስቴር ሙሳ ኤክወሩ እቲ ኣጋጣሚ ዘሕዝን ክብሉ ብግላፅ ምርመራ ይካየድ ኣሎ ኢሎም። ስደተኛታት ንሓደ ቆልዓ ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ብዘይተፈልጠ ምኽኒያት ቀጥቂጦም ከምዝቐተሉዎ ኤክወሩ ገሊፆም። እቶም ስደተኛታት በቲ መጥቓዕቲ ዝወረዶም ስነ ኣእሙራዊ በሰላ ንምሕጋዝ ጉጅለታት ናብቲ ከባቢምልኣኹ UNHCR ኣፍሊጡ ኣሎ። ፈፃሚ ዳይረክተር ዓለምለኸ ተበግሶ መሰላትስደተኛታት ዝኾነ ኣቺየንግ ኣኬና ብሰንኪ እገዳታት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተጎድአ ቁጠባ ኡጋንዳ ንብዙሓት ሰባት ብፍላይ ድማ ንስደተኛታት ናብራ ኣዚዩ ኣፀጋሚ ገይሩዎ ይርከብ ኢሎም። ጥፍኣት ዝፈፀሙ ናብ ሕጊ ክቐርቡ’ውን ፀዊዖም።’’ግቡእ መቕፃዕቲ ክውሰድ ኣለዎ።ከምዚ ዝበለ ጥፍኣት ዝፈፀሙ ናብ ሕጊ ቐሪቦም ፍርዶም ክረኽቡ ኣለዎም’’ ኢሎም።ሕጋዊ ስጉምቲ እንተድኣ ዘይተወሲዱን እቲ ማሕበረሰብ ፍትሒ ኣይተረጋገፀን ኢሉ እንተ ኣሚኑን እቲ ቀፃላይ ግጭት ዝኸፍአ ክኸውን እዩ ክብሉ ገሊፆም። ዓለም ኣብ ኮቪድ-19 ጠመተ ኣብ ዝገበረሉ እዋን ኣብ መንጎ ስደተኛታትን ኣተኣናገድቲ ማሕበረሰባትንነታ ዘላ ሒደት ፀጋ እቲ ሓደ ነቲ ካሊእ ዝማቐሎ ኮይኑ እንተድኣ ተሰሚዑዎ ወጥሪ ክንህር ከምዝገብርንስደተኛታት ዝሕለቑ ኣክቲቪስታት ይገልፁ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/unhcr-urges-investigations-after-10-refugees-killed-in-uganda-water-conflict\/5584395.html"} {"headline":"ህወሓት ብዘይካ ሓደ ወንበር ንኩሉ መናብር ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ስዒራ","content":"ናይ መወዳእታ ውፂኢት መረፃ ትግራይ ሎሚሸት ዕላዊ ኮይኑ።ብመሰረት እቲ ውፅኢት ካብ 190 ወናብር ህወሓት 189 ወናብር ከምዝሰዓረ ተፈሊጡ ኣሎ። ኮሚሽነር ቦርድ ምርጫ ትግራይ ኣቶ ሙሉወርቅ ኪዳነ ማሪያም ከምዝገለፁዎ ህወሓት ብበዝሒ ድምፂ ኩሉ 152 ወናብር ምስዓሩን ብተመጣጣኒ ድምፂ ድማ ካብ 38 ወናብር 37 ወናብር ከምዝተዓወተ ሓቢሮም። ሓደ ወንበር ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ \\ባይቶና\\ ረኺቡ ኣሎ።ንመጀመሪያ ግዜ እዩ ተቓዋሚ ፓርቲ ኣብ ቤት ምኽሪ ናይቲ ክልል ወንበር ረኺቡ ዘሎ። ኣብቲ መረፃ ሓሙሽተ ፓርታትን ኣርባዕተ ብውልቅን ተወዳዲሮም 2.7 ሚሊዮን ሰባት ድማ ኣብቲ ምርጫ ንምስታፍ ተመዝጊቦም እዮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/tplf-grabs-all-seats-but-one\/5583092.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ባጢራኣ ቐይራ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ዝነበረ ናይ 10 ናይ 50ን ናይ 100ን ብር ብምቕያር ሓዲሽ ናይ 200 ብር ብምእትታው ባጤራ ቀይሩ`ሎ። እቲ ሓዲሽ ባጤራ ገንዘብ፥ ንዘይ-ሕጋዊ ፋይናንሳዊ ምንቅስቓሳትን ከምኡ`ውን ንብልሽውናን ኮንትሮባንድን ከምዝዓጽፍ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ ሓዲሽ ባጢራ ብዕሊ ኣብ ዘፍለጠሉ እዋን ኣሰሚዑ`ሎ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5582826.html"} {"headline":"ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣብ እዋን መረጻ ኣብ ልዕሊ ኣባላቱን ቤተሰቦምን ብኣካላት መራሕቲ ተጽዕኖ ከምዝተገብረ ገሊጹ","content":"ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ብምስታፉ ኩርዓትን ሓበንን ከምዝስመዖ ብምግላፅ ኣብ ከይዲ እቲ መረፃ ግና ዕንቅፋት ከምዝገጠሞ ሓቢሩ:: እቲ ውድብ ኣብ ዘውፀኦ መህለፂ ኣብቲ መረፃ ዝተሳተፉ ኣባላቱን ስድርኦምን ፅልዋ ከምዝበፅሖም እውን ገሊፁ:: ኣብዚ ጉዳይ ሙሉጌታ ኣፅብሃ ምላሽ ኮምሽን መረፃ እቲ ክልል እውን ኣካቲቱ ዝስዕብ ፀብፃብ ሊኢኹልና ኣሎ: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5582713.html"} {"headline":"ማሕበር ኤርትራውያን ስነ-ጥበበኛታት ኣብ ሽወደን-ናጻ ማሕበር ኮይኑ ይነጥፍ","content":"ካብ ዝምስረት 10 ወርሒ ኣሕሊፉ'ሎ። ካብ ፖለቲካ ናጻ ኮይኑ ዝተመስረተ ምዃኑ፡ ካብ ፍሉይነቱ ሓደ'ዩ። ኣብ ሽወደን 45 ስነ-ጥበበኛታት ሓቑፉ ስርሑ ጀሚሩ'ሎ። ዓበይትን ገዳይምን'ውን ከም ናይ ክብሪ ኣባላቱ ጌሩ ይሓቁፍ'ዩ። ስነ-ጥበብ ኤርትራ፡ ኣብ ወጻኢ ሞይቱ ከይተርፍ፡ ንምዕባዩን ንምሕያሉን፥ ከምኡ'ውን ንሕና'ውን ተጠርኒፍና ክንቅጽልን ክንተሓጋገዝን'ምበር፡ ካልእ ዕላማ የብልናን ይብሉ መራሕታ። ደራስን ዲረክተርን ፊልም እሰይ ተስፋጋብር ኣቦ መንበር። ሙዚቀኛ ማቴዎስ ሃይለኣብ ድማ ምኽትል ኣቦ-መንበር'ዮም። ዕላልና ይቕጽል፥ No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5580223.html"} {"headline":"ሚልዮን ኣብርሃም፥ ኣብ ወርሓት ሓንሰ መስቀለ ዘለዎ ዝንባለ","content":"ኣብ ግጥምን ሙዚቃን ይነጥፍ'ዩ። ኣብ ባህልን ምስግጋር ባህልን ልዑል ተገዳስነት ኣለዎ። ሚልዮን ኣብርሃም ፥ ኣብ ከተማ ተወሊዱ ዓብዩ ከብቅዕ ካብ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ ድማ ኣብ ወርሓት መስከረምን ሓንሰ መስቀለን ኣመልኪቱ ናይ ምጽሓፍ ዝንባለ ኣርእዩ'ሎ። ዝያዳ ክደፍኣሉ ብምትብባዕ፡ ንሎሚ ምስኡ ዝገበርናዮ ዕላል እነሆ! No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5580198.html"} {"headline":"ዕጹብ ድንቅ ዝተባህለሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰርሐ ሸገር ፓርክ ተመሪቑ","content":"ንከተማ ኣዲስ ኣበባን ህዝቢ ኢትዮጵያን ናይ ሓዲሽ ዓመት ህያብ ኮይኑ ዝቐረበ ሸገር ፓርክ ሎሚ ተመሪቑ። ፕረሲደንት ሳህለወርቅ ዘውደ፥ ኢትዮጵያውያን ዝኾርዑላን ናይ ኣፍሪቃ ፖለቲካዊ መዲና ዝኾነትን ኣዲስ ኣበባ፥ እዚ ዝመስል ናይ ህዝቢ መዘናግዒ ክትረክብ ከላ፥ስማን ደረጅኣን ልዕል ከምዝብል ኣመልኪተን። ተሰማሚዕናን ተርዳዲእናን፥ ዘለና ዓቕሚ ኣወሃሂድና እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል`ውን እዚ ሓዲሽ ፓርክ ህያው ምስክር`ዩ ኢለን። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ መዘናግዒ ፓርክ ኣብ ምትግባር ንዝገበሮ ኣስተዋጽኦ`ውን ኣመስጊነን። ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢ`ውን ኣብ ምህናጽ`ቲ ፓርክ ዓቢይ ኣበርክቶ ጌሮም ዝበሎም ህያባት ኣበርኪትሎም። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ፥ ኮማንዶታት ሓይሊ ኣየር፥ ኣየር ወለድን፥ ሪፓብሊካን ጋርድን ወተሃደራዊ ምርኢታት ኣርእዮም፥ ከምኡ`ውን እቲ መንግስቲ ሓደስቲ ታንክታቱን መዳፍዓቱን ንምርኢት ከም ዘቕረበ ተሓቢሩ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5578813.html"} {"headline":"ሪኢቶታት ህዝቢ ኣብ መረፃ ትግራይ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ትማሊ 4 ጳጉሜ ምርጫ ተኻይዱ ኣሎ።ኣብቲ ምርጫ ህወሓት ሓዊሱ ሓሙሽ ፖለቲካዊ ውዳባትን ኣርባዕተ ናይ ውልቂ ተወዳደርትን ተሳቲፎም ኣለው።ብመሰረት ሓበሬታ ኮሚሽን ምርጫ ናይቲ ክልል 2.76 ሚሊዮን ህዝቢ ድምፂ ንምሃብ ተመዝጊቡ እዩ።ንምዃኑ ሰባት ነቲ ምርጫ ከመይ ይሪኡዎ። ጋዜጠኛታት ቪኦኤ ናብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ሪኢቶታት ሓቲቶም ልኢኾም ኣለው። ሻሚል ዝተብሃለ ነባራይ ከተማ ኣዳማ ናይ ትግራይ ምርጫ ብዙሕ ለውጢ ዘምፅእ ኮይኑ ከምዘይሪኦ ይገልፅ።ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ሕጋዊ ኣይኮነን ክሳብ ዝበሎ ብደረጃ ሃገር ዘምፅኦ ለውጢ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን ይብል። ‘’እቲ ክልል በይኑ ምርጫ ምክያዱ ትርጉሙ ኣይርድኣንን ዝበለ ንሱ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ለውጢ ዘምፅእ ምርጫ ገይረ ኣይሪኦን’’ ኢሉ። ፌደራል መንግስቲ ሕጋዊ ኣይኮነን ስለዝበሎ ድሕሪ ዝተወሰነ ስጉምቲ ምውሳዱ ኣይተርፍን ይብል ብምውሳኽ። ‘’ብምዝርራብ እንተዝፍታሕ ፅቡቕ እዩ ከምዚ እንተቐፂሉ ግን ህወሓትን ፌደራል መንግስትን ናብ ኵናት ክኣትው ይኽእሉ’ዮም’’ ይብል ሻሚል ኣስዒቡ። ምርጫ ምክያዱ ተቓውሞ ከምዘይብሉ ዝገለፀ ዶክተር መገርሳ ዝተብሃለ ካሊእ ነባራይ ኣዳማ ኣብ ትግራይ ምርጫ ምክያዱ ህዝቢ ልዕልነት ከምዘለዎ እዩ ተሰሚዑኒ ምኽኒያቱ ድማ ብናይ ባዕሎም ፍቓድ ንምምራፅ ናይ ባዕሎምመፃኢ ዕድል ብባዕሎም ዝወሰንሉ ስለዝኾነ እዩ ይብል ዶክተር መገርሳ። ‘’ንሳቶም ምርጫ ክንገብር ኢና ኢሎም።ፌደራል ድማ ምርጫ ክተግብሩ የብልኩም ኢሉዎም።ንሳቶም ክኣ ምርጫ ኣካይዶም ኣለው።ኣነ ፅቡቕ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን።ንኢትዮጵያ ይጎድእ እዩ ዝብል እምነት እውን የብለይን።ንኢትዮጵያ ዝጎድእ ነገር እውን ኣይኮነን።ካልኦት ከምኡ እንተመሪፆም እውን ፅቡቕ እዩ ንሕና እውን ክንመርፅ ኣለና ኢለ እየ ዝኣምን’’ ኢሉ። እቲ ውጥረት እውን ብምዝርራብ ክፍታሕ ኣለዎ ይብል ንሱ።ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ብዙሕ ግጭትን ቅልውላውን፣ብሓይልታት ፀጥታ ዝቕተሉ ሰባት፣ምዕፃው መንግዳታት እውን ስለዘሎ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ምርጫ ተኻይዱ እቲ ህዝቢ እንተዝዓርፍን ብሰላም ስርሑ እንተዝፅቕፅልን ይሓይሽ ይብል ዶክተር መገርሳ። ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለየ ካሊእ ወሃቢ ሪኢቶ ድማ መንግስቲ ብዘውፅኦ ናይ ምርጫ እዋን ተጋሩ ሓቂ ዝመስል ነገር እንተሃለዎም እውን እዚ ምርጫ ግን ንህዝቢ ትግራይ ይጠቅም እዩ ዝብል እምነት የብለይን ምኽኒያቱ ድማ ኣብ ሓደ ሃገር ክልተ መንግስቲ ክህሊ ስለዘይብሉ እዩ ኢሉይ። ኢብራሂም ሳሊሕ ዝተብሃለ ወሃቢ ሪኢቶ ንናይ ትግራይ ምርጫ ኣወንታዊ ሪኢቶ ከምዝለዎ ይገልፅ። ‘’ናይ ትግራይ ምርጫ ደስ እናበለኒ እየ ሪኢዮ’’ ዝበለ ኢብራሂም ‘’ኩሉ ህዝቢ ናይ ካልኦት ክልላት ህዝቢ እውን ከምዚ ናይ ባዕሉ ዕድል ተዝውስን ኣዚዩ ደስ ምበለኒ ኢሉ። ’’ክልላት ተሰማሚዐን እየን ነቲ ፌደራል መንግስቲ መሰል ዝሃብኦን ዝመስረትኦን።ስለዚ ንፌደራል መንግስቲ ክቆፃፀርኦ ዝግበአን ክልላት እየን ብናይተይ እምነት’’ ይብል ኢብራሂም። እቲ ምርጫ ንኢዮጵያ ሓደጋ ኣይኮነን መንግስቲ ፌደራል ብፈኸራን ምፍርራሕን ከይኮነስ ነዚ ተቐቢሉ ኮፍ ኢሉ ክዘራረብ ኣለዎ ኢሉ ኢብራሂም ሳሊሕ። ነባራይ ኣዲስ ኣበባ ዝኾነ ታምራት ኣይጃ ናይ ትግራይ ምርጫ ኣብዚ ሕዚ እዋን እንተዘይካይድ ፅቡቕ ነይሩ ይብል። ካልኦት ብርክት ዝበሉ ዝተፈላለዩ ሰባት ካብ ድሬዳዋ፣ ጂጂጋን ካልኦት ከተማታትን ዝተፈላለዩ ሪኢቶታት ሂቦም ኣለው። ፌደራል መንግስቲ ኣብ ዝተቓወሞን ናይኢትዮጵያቤትምኽሪፌደረሽን ሕጋዊ ኣይኮነን ኣብ ዝበሎን መረፃ ግራይ ልዕሊ 2.76 ሚልዮን መረፅቲ ተመዝጊቦም ኣለው :: ኣብ 38 ክልላት መረፃ 2,672 ጣብያታት መረፃ ኣለዉ:: ኣብዚ መረፃ ህወሓት፣ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፣ ባይቶና፣ውድብ ናፃነት ትግራይን ዓሲምባ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲን ኣርባዕተ ናይ ውልቀ ተወዳደርቲ ኣብቲ መረፃ ተሳቲፎም:: ዓረናን ናይ ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርትን ካብቲ ምርጫ ንርእሶም ኣገሊሎም እዮም::ክልተ ናይ ውልቂ ተወዳደርቲ እውን ንባዕሎም ኣግሊሎም። እቲ መረፃ ን190 መናብር ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይንምቁፅፃር እዩ ተኻይዱ:: 152 መናብር ኣብዝሓ ድምፂ ብዝረኸቡ ዝተሓዝ ኮይኑ 38 ድማ ኣብቲ መረፃ ዝተሳተፉ ውድባትዝረኸብዎ ድምፂ ብተመጣጣኒ ስርዓት መረፃ ተቖፂሩ ዝካፈልዎ እዩ::","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopians-have-mixed-opinion-on-tigray-election-voxpop-\/5578561.html"} {"headline":"ጥረ ሓቅታት ምርጫ ክልል ትግራይ","content":"ኣብ መረፃ ትግራይ ልዕሊ 2 ነጥቢ 76 ሚልዮን መረፅቲ ተመዝጊቦም ኣለው:: ኣብ 38 ክልላት መረፃ 2,672 ጣብያታት መረፃ ኣለዉ:: ኣብዚ መረፃ ህወሓት፣ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፣ ባይቶና፣ ውድብ ናፃነት ትግራይን ዓሲምባ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲን ኣርባዕተ ናይ ውልቀ ተወዳደርቲ ኣብቲ መረፃ ተሳቲፎም:: ዓረናን ናይ ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርትን ካብቲ ምርጫ ንርእሶም ኣገሊሎም እዮም::ክልተ ናይ ውልቂ ተወዳደርቲ እውን ንባዕሎም ኣግሊሎም። እቲ መረፃ ን190 መናብር ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ንምቁፅፃር እዩተኻይዱ:: 152 መናብር ኣብዝሓ ድምፂ ብዝረኸቡ ዝተሓዝ ኮይኑ 38 ድማ ኣብቲ መረፃ ዝተሳተፉ ውድባት ዝረኸብዎ ድምፂ ብተመጣጣኒ ስርዓት መረፃ ተቖፂሩ ዝካፈልዎ እዩ::","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/facts-in-tigray-election\/5577140.html"} {"headline":"መረፃ ክልል ትግራይ ሎማዓንቲ ተኻይዱ","content":"ኣብቲ መረፃ ብመራፅነት ዝተሳተፉ ሰባት ካብ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ኣብቲ መረፃ ንምስታፍ ናብ ጣብያ መረፃ ምምፀኦም ገሊፆም:: እቲ መረፃ \"ህዝቢ ትግራይ ብዝመረፆ ጥራሕ ከምዝመሓደር ዘርኣየሉ ፍሉይ ዕለት እዩ\" ኢሎም ኣለው መረፅቲ:: ኣብ ከተማ መቐለ ንህወሓት ወኪለን ዝተወዳደራን ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ዝነበራን ንባዕለን ካብስልጣን ኣፈ ጉባኤነት ዘግለላን ወይዘሮ ከሪያ ኢብራሂም \"እቲ መረፃ ህዝቢ ትግራይኣብመድረኽ ዓለም ስሙ ክብ ዘበሎ ፀላእቱ ድማ ርእሶም ከድንኑ ዝገበረ እዩ\" ኢለን::ንውድብ ናፅነት ትግራይ ወኪሉ ዝተወዳደሩ ኣይተ መሓሪ ዮሃንስ ብወገኑ መረፃ ትግራይ ከም ካሊእ መረፃ ከይኮነስ ከምሪፍረንደም እዩ ዝቑፀር ኢሉ:: ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ንዘይምሳታፍ ዝወሰነ ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣብቲ ናይ ሎማዓንቲ መረፃ ህዝቢ ተገዲዱ እዩ ናብ መረፃ ወፂኡ ኢሉ:: ኣብ ራያ፣ፀገዴን ወልቃይትን ክልል ትግራይ ሎሚ ኣብዝተኻየደ ምርጫ ብሓይሊ ክመርፁ ተግይሮም ክብሉ ሽሞም ክጥቀሰሎም ዘይደለዩ ነበርቲ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኣስቴር ምስጋናው ካብ ባህርዳር። ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ነዚ ክምልሳ ከለዋ እዚ ንህዝቢ ትግራይ ካብዘይምፍላጥን ምንዓቕን ዝተዘረበ ናይ ሓሶት ዘረባ እዩ ኢለን:: ኣብ ምዕራባውን ደቡባዊ ከባቢታት ትግራይ ከምካሊእ ከባቢ ትግራይ እቲ መረፃ ብድልየት ህዝቢ ዝተኻየደን ሰፊሕ ተሳትፎ ህዝቢ ዝተኻየደሉን እዩ ኢለን:: ኣብቶም ከባቢታት ፀገም ፀጥታ ከምዘሎን ህዝቢ ብግዲ ክመርፅ ተገይሩ ተባሂሉ ዝተገለፀ ክፉእ ትምኒት ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ እዩ እምበር ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ኣይኮነን ብምባል ህዝቢ ድማ ኣብዚ መረፃ ብበዝሒ ብምስታፍ ኣሕፊርዎም እዩ ክብላ ተዛሪበን:: እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ብምኽኒያት ሓዱሽ ዓመት ምስ መንግስታዊ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ቃለምልልስ ዘካየዱ ናይ ኢትይቶጵያ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ምርጫ ከም ብጸልማት ብርሃን ወርሒ ተሓቢእካ ዝስራሕ ገዛ`ዩ፥ ከም ኩሎም ብለይቲ ተሓቢእካ ብስርቂ ዝስርሑ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝኾኑ ገዛውቲ፥ እቲ ናይ ክልል ትግራይ ምርጫ`ውን ዋጋ ዘይብሉ`ዩ ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-tigray-holds-elections-for-190-seats-regional-parliament\/5577137.html"} {"headline":"መረጻ ትግራይ 2012 ተዛዚሙ፣ ምቁጻር ድምጺ ተጀሚሩ","content":"ናይ ሎምዘበን ክልላዊ መረፃ ትግራይ ሎማዓንቲ ተኻይዱ ኣሎ። እቲ መረፃ \"ህዝቢ ትግራይ ብዝመረፆ ጥራሕ ከምዝመሓደር ዘርኣየሉ ፍሉይ ዕለት እዩ\" ኢሉ ገሊጽዎ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ። ኣብቲ መረፃ ብመራፅነት ዝተሳተፉ ሰባት ካብ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ኣብቲ መረፃ ንምስታፍ ናብ ጣብያ መረፃ ምምፀኦም ገሊፆም። ‘እቲ መረፃ ህዝቢ ትግራይ ኣብ መድረኽ ዓለም ስሙ ክብ ዘበሎ ፀላእቱ ድማ ርእሶም ከድንኑ ዝገበረ እዩ’ ኢለን ኣብ ከተማ መቐለ ንህወሓት ወኪለን ዝተወዳደራ ወይዘሮ ከሪያ ኢብራሂም። ንውድብ ናፅነት ትግራይ ወኪሎም ዝተወዳደሩ ኣይተ መሓሪ ዮሃንስ ብወገኑ ‘መረፃ ትግራይ ከም ካሊእ መረፃ ኣይኮነን ከም ሪፍረንደም እዩ ዝቑፀር’ ኢሉ። ኣብ ትግራይ ዝመሰረቶም ዓረና ትግራይን ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲን ውድባት ‘እቲ መረፃ ሕጋዊ ኣይኮነን’ ብምባል እውን ዘይሳተፍሉ መረፃ እዩ። ኣብቲ መረፃ ክሳተፉ ምንቅስቓስ ጀሚሮም ዝነበሩ 2 ናይ ውልቀ ተወዳደርቲ ኮምሽን መረፃ ፍትሓዊ ኣይኮነን ብምባል ዓርሶም ኣግሊሎም። 4 ናይ ውልቀ ተወዳደርቲ ተሳቲፎም። ልዕሊ 2 ነጥቢ 76 ሚልዮን ህዝቢ መሪጹ። 38 ክልላት መረፃ 2672 ጣብያታት መረፃ ኣለዉ። ኣብዚ መረፃ ህወሓት፣ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፣ ባይቶና፣ ውድብ ናፃነት ትግራይን ዓሲምባ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲን ተሳቲፎም ኣለዉ። ናይ 2012 ክልላዊ መረፃ ን190 መናብር ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ እዩ ተኻይዱ። 152 መናብር ኣብዝሓ ድምፂ ብዝረኸቡ ዝተሓዝ እቲ 38 መናብር ድም ኣብቲ መረፃ ዝተሳተፉ ውድባት ብዝረኸብዎ በዝሒ ድምፂ ብተመጣጣኒ ስርዓት መረፃ ተቖፂሩ ዝካፈልዎ እዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/election-in-tigray-is-over-vote-counting-stats-\/5576986.html"} {"headline":"ኣባላት ጸጥታ ኢትዮጵያ፡ ጋዜጠኛታት ናብ ክልል ትግራይ ከይዶም ነቲ መንግስቲ ዘይ-ሕጋዊ ዝብሎ ክልላዊ ምርጫ ከይስንዱ ብነፋሪት ምብራር ከልኪሎም","content":"ኣባላት ጸጥታ ኢትዮጵያ፡ ጋዜጠኛታት ናብ ክልል ትግራይ ከይዶም ነቲ መንግስቲ ዘይ-ሕጋዊ ዝብሎ ክልላዊ ምርጫ ከይስንዱ ብነፋሪት ምብራር ከልኪሎምመንግስቲ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንኢትዮጵያ ናብ ዝሓሸ ክፉት ምዕራፍ ከሳግራ ኣብ ዝፍትነሉ ዘሎ እዋን፥ ንጽባሕ ረቡዕ 9 መስከረም ወይ 4ተ ጳጉመን ኣብ ክልል ትግራይ ተሓሲቡ ዘሎ ምርጫ ጸገም ኮይንዎ`ሎ። ቅድሚ ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምምጽኡ ን27 ዓመት ንጥምረት መንግስቲ ፓርትታት ኢትዮጵያ ዝመርሐ ክልል ትግራይ፥ መንግስቲ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ነቲ ሃገራዊ ምርጫ ምስግጋሩ ብተሪር ክቃዎሞ`ዩ ጸኒሑ`ሎ። ንክልላዊ ምርጫ ንምኽልካል ዝግበር ዝኾነ ፈተነ ድማ ከም እወጃ ኩናት`የ ዝቖጽሮ ኢሉ ኔሩ። ቤት-መኽሪ ፈደረሽን ዝሓለፈ ቀዳም ነቲ ምርጫ ትግራይ ዘይሕጋዊ`ዩ ኢልዎ`ዩ። ኣብ ልዕሊ`ቲ ክልል ዝኾነ ማዕቀብ ናይ ምግባር እማመ ግን ኣየቕረበን። ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰልን ናጽነት ፕረስን፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ረፖርተራት ዝተወስደ ምክልባት ኮኒኖሞ`ዮም- ከምቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ምርጫ ዝበለ ፍጻመታት ንምሽፋን ንኣህጉራውን ዘቤታውን ሚድያታት ኣዝዩ ኣገዳሲ`ዩ ብምባል። ለይቲሻ በይደር፥ ኣብ ሁማን ራይትስ ዋች ዲረክተር ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ`ያ፥ ከምዚ ትብል፥ \"ኣብ ክልል ትግራይ ዝግበሩ ፍጻመታት ኣብዚ እዋን`ዚ ዓቢይ ህዝባዊ ኣገዳስነት ኣለዎም። ፈደራል መንግስቲ ንጋዜጠኛታት ክኽልክሎም ኣይግባእን`ዩ። ኣህጉራዊያን ትካላት ይኹና ናይ ኢትዮጵያ ሚድያታት ከምዚ ዓይነት ፖለቲካዊ ምዕባለታት ብናጻ ሪፖርት ክገብራ ክፍቀደን ኣለዎ\" ጋዜጠኛታትን ብርክት ዝበሉ ገያሾን -ምስ ኣህጉራዊ ጉጅለ ቅልውላው ዝሰርሕ ዊልያም ዳቪድሰን ዝርከቦም- ኣብ ከባቢ ማዕጾ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሑ፥ ክልተ ሰበ-ስልጣን ጸጥታ መጺኦም፥ ምስ መን ከም ዝሰርሑ፥ ስለምንታይ ንመቐለ ይኸዱ ከምዘለዉን፥ ምኽንያት መገሻኦምን ሓቲቶሞም። 3ተ ንኣውሎ መዲያ ዝተባህለ ናይ ውሽጢ ሃገር ሚድያ ዝሰርሑን፥ ነዚ ሪፖርት`ዚ ዝለኣኸን፥ ተለፎናቶም፥ ፓስፖርቶምን ፕረስ ካርዶምን ተሓዲጎም። ሓደ በዓል ስልጣን ድማ ናይዚ ሪፖርተር ቁጽሪ ተለፎን ወሲዱ ንኣካውንት ማሕበራዊ ሚድያ ክፍትሽ ሓቲቱ። ክልተ ንኣውሎ ሚድያ ዝሰ​ርሑ ሪፖርተራት ብምኽንያት`ቲ ኣብ መቐለ ዝካየድ ምርጫ ከምዝተኸልከሉ ገሊጾም ኣለዉ። ዝሓለፈ ሰሙን፥ በዓል-ስልጣን ብሮድካስቲንግ ኢትዮጵያ፥ ናብ ጋዜጠኛታት እናደወለ፥ ነቲ ፈደራል መንግስቲ ኣፍልጦ ዘይሃቦ ምርጫ ከይጽብጽቡ ኣጠንቂቑ ምንባሩ`ውን ተጠቒሱ`ሎ። ኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ርኢቶ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ`ሎ፥ ሰበ-ስልጣን ሚንስትሪ ወጻኢ ድማ ክርከቡ ኣይተኻእለን። ማሕበር ወከልቲ ጋዜጠኛታት ወጻኢ ብዛዕባ`ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ሪፖርተራት ከይጽብጽቡ ዝተግብረ ነገር ብኸቢድ ከምዘሻቐሎ ገሊጹ`ሎ። 'ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ፥ ንጋዜጠኛታት ክጽብጽብዎ ዘለዎምን ኣብ ዘይብሎምን ጉዳይ ፖሊስ ብምዃን፥ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ 2ተ ዓመታት ናጽነት ሚድያ ንምዕባይ ዝተወስደ ስጉምትታት ከይጎድእዎ ንምሕጸን \"ይብል እቲ ማሕበር ዘውጽኦ መግለጺ- ከም ጸብጻብ ሳይመን ማርክስ ካብ ኣዲስ ኣበባ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5576289.html"} {"headline":"ቤት መኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየዱ ዘለዉ  ናይ ምርጫ ምንቅስቓሳት ከም ዘይተኻየዱ ዝቑጸሩ፥ ዘይጸንዑን ተፈጻምነት ዘይብሎምን`ዮም ብምባል ወሲኑ","content":"ቤት መኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ ፥ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየዱ ዘለዉ ናይ ምርጫ ምንቅስቓሳት ንሕገ-መንግስቲ ዝጻረሩ ስለዝኾነ ብመሰረት ዓንቀጽ 9 (1) ፥ ከም ዘይተኻየዱ ዝቑጸሩ፥ ዘይጸንዑን ተፈጻምነት ዘይብሎምን`ዮም ብምባል ብምሉእ ድምጺ ወሲኑ`ሎ። ብዛዕባ`ዚ ርኢቶታቶም ዝሃቡ ራያ-ራዩማ ፓርትን ወልቃይት ጠገዴ መንነት ኣኽባሪ ኮሚቴን፥ ክልል ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ምርጫ ምንቅስቓስ፡ ቤት-መኽሪ ፈደረሽን ካብ ሕጊ ወጻኢ`ዮም ኢሉ ምምዳቡ ግቡእ`ዩ ድሕሪ ምባል፥ ኣብ ወልቃይትን ኣብ ራያን ንዝፈጸሙ ዘለዉ ግህሰታት ሰብእዊ መሰላት ግን ዝኾነ ዓይነት ፍታሕ ብዘይምቕማጡ ቅር ኢሉና`ሎ ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5574401.html"} {"headline":"ፕረሲደንት ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣል ቡርሓን ሎሚ ኣብ ኤርትራ","content":"ፕረሲደንት ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣል ቡርሓን ሎሚ ኣብ ኤርትራ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ከምዝገበረ ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዝለኣኾ ትዊተር ሓቢሩ። ምስ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድማ ኣብ ንግዲ፡ ጸጥታን ወተሃደራውን ጭቡጥ ስጉምትታት ንምውሳድ ኣብ ዘኽእል ስምምዕ ከምዝበጽሑ ጠቒሱ'ሎ። ከምኡ'ውን ዞባዊ ሰላም ኣብ ምሕያል ብዕቱብ ክሰርሑ ምስምምዖም ተተሓሒዙ ዝመጻና ዜና ይገልጽ። መራሒ ሱዳን ናብ ሃገሩ ቅድሚ ምምላሱ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ኣብ ዝርከባ ዲጋታትን ልምዓታዊ ፕሮጀክትታትን'ውን ተዘዋዊሩ ከምዝተዓዘብ ኣቶ የማነ ኣብ ትዊተሩ ጠቒሱ'ሎ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5574389.html"} {"headline":"አሜሪካ ብሰንኪ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሴ ንኢትዮጵያ ካብ ዝሰልዐቶ ደገፍ ገንዘብ ንገሊኡ ከልኪላታ","content":"ርክብ ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ኣብ ሓባራዊ ረብሓ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምዕሳል ሰላምን ጸጥታን ዘተኮረ ከምኡውን ንታሪኻዊ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ለውጢ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ምድጋፍን ኣብ ዝብሉ ዝተሰረተ እዩ። እንተኾነ፣ ብዛዕባ ኣመላልኣን ምሕደራን ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ይካየድ ዝነበረ ልዝብ ሰለስቲኤን ሃገራት፣ ንቅድሚት ፈንተት ክብል ዘይምኽኣሉ ንዩናይትድ ስቴትስ ኣሻቂሉዋ ኣሎ። ኣሜሪካ፣ ንስሉሳዊ ልዝብ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን ተሳልጥን ሓባራዊን ምዕሩይን ተረባሓይነት ንክህሉን ሰሪሓ እያ። እቲ ንኢትዮጵያ ይዋሃብ ዝነበረ ገለ ደገፍ ንክቋራጽ ኣሜሪካ ምውሳና፣ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ድሕነት እቲ ግድብ ኣብ ስምምዕነት ቅድሚ ምብጻሓ ብናይ ገዛእ ባዕላ ተበግሶ ነቲ ግድብ ማይ ንክትመልእ ምውሳና ከምዘሻቀላ ሓባሪ ይብል'ዩ ይብል ሚኒስቴር ወጻኢ ኣሜሪካ። ዩናይትድ ስቴትስ፣ ቅድሚ ኣገደስቲ ስጉምቲታት ምርግጋጽ ድሕነት’ቲ ግድብ ምፍጻሞም ምምላእ ማይ ምጅማር ግቡእ ኣይኮነን እናበለት አቀዲማን ደጋጊማን ተዛሪባ እያ። ብዘይካዚ፣ ልዝባት ኣብ ዝቅጽልሉ እዋን፣ ማይ ምምላእ ምጅማር ማለት፣ ንእምነት ታሕተዎት መፋስስ ሃገራት ዝሽርሽር’ዩ። ካብኡ ዝሰገረ፣ ኣብ ሓምለ ዝተፈጸመ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ፣ ኢትዮጵያ፣ ኣብ’ቲ ኣፍሪቃ ትመርሖ ዘላ መስርሕ ልዝብ ‘ባዕላዊ ስጉምቲ’ ኣይወስድን ክትብል ንዝኣተወቶ ቃል ዝዓጸፈ እዩ። ዩናይትድ ስቴትስ ዓሚ ንኢትዮጵያ ዝለገሰቶ መጠን ድጋፍ፣ ኣሜሪካ ሎሚ’ውን ቀንዲ ልምዓታዊ መሻርኽታ ምዃና ዘረጋግጽ እዩ። መንግስቲ ዩናይትድ ስቴትስ ንስራሕቲ ጸረ ኤይድስን ካልኦት ሰብኣዊ ሓገዛትን ከምኡውን ኣብ ወፍሪ ጸረ ኮቪድ 19ን ካልኦት ገለ ምምሕዳራዊ ወጻኢታት ንኢትዮጵያ ዝልእኸላ ገንዘብ ክቅጽል እዩ። ምስ ሰለስቲኤን ሃገራት ዝተጀመረ መስርሕ፣ ስለ ምብጻሕ ስምምዕነት ርትዓዊን ምዕሩይን ተጠቃምነት ተባሂሉ ክንቅጽለሉ ኢና። ዝዓበየ መዘራረቢ ነጥቢታት ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን ተፈቲሑ እዩ። ኣብ ልዕሊ ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ዝብጻሕ ስምምዕነት ኣሳጋሪ ክኾን እዩ። ንህይወት 250 ሚልዮን ህዝቢታት፣ ብኣገባ ዶብ ሰገር ምትሕብባራትን ዞባዊ ምትእስሳራትን ንቁጠባዊ ዕድላት ዘስፍሕ ከምዝኾን መግለጺ ሚኒስትር ኣሜሪካ ይሕብር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/us-ethiopia-hold-money-gerd-egypt-sudan-\/5571407.html"} {"headline":"ኣብ ሶማሊያ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ 10 ሰባት ተቐቲሎም","content":"ኣብ ሶማሊያ ማእኸላይ ዞባ ከባቢ ሙዱግ ኣብ መንጎ ኣል ሸባብን ዕጡቓት ነበርትን ብዝተኻየደ ሓዱሽ ውግእ እንተወሓደ 10 ሰባት ከምዝተቐትሉ መሳኻኽር ገሊፆም። ነቲ ከባቢ ብኽፋል ዝተቆፃፀሩ ከቢድ ኣፅዋር ዝሓዙ ዕጡቓት ኣል ሸባብ ሎማዕንቲ ዓርቢ ምስ ነበርቲ ሻበሎ ተታዅሶም።በዝሒ ዝተቐተሉ10 ምብዝፅሑ ዘረጋገፁ ኣባል ቤት ምኽሪ ናይቲ ከባቢ ዓብዱልቃዲር ሰይድ ዓብዱል እቲ ኣሃዝ ካብኡ ንላዕሊ ክኸውን እዩ ኢሎም።መብዛሕቲኦም ዝተቐተሉ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ምዃኖም እውን ወሲኾም ሓቢሮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/at-leat-10-people-killed-in-somalia-in-a-renewed-fighting-between-a-shaba-and-residents\/5571258.html"} {"headline":"2ይ ክፋል ብዛዕባ ምምስራት ባይቶ ይኣክል ኤርትራውያን ጨንፈር ዋሺንግተን ዲሲ","content":"ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንኣዋርሕ ተጎናዲቡ ዝጸንሐ ምምስራት ባይቶ ይኣክል ጨንፈር ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን፡ ዝሓለፈ ቀዳም 29 ነሓሰ 2020 ተመስሪቱ'ሎ። እቲ ብናይ ዙም ቪድዮ ብርሕቐት ዝተኻየደ ኣኼባ ብቕሉዕን ናጻን ዝተኻየደን ደሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተኸተለን ምንባሩ'ውን ተጠቒሱ'ሎ። ምስ ኣባል መሪሕነት ባይቶ ይኣክል ጨንፈር ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን ኣቶ ማሕፉዝ ኢብራሂም ዝተኻየደ ቃለ-መጠይቕ ቀዳማይ ክፋል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5569985.html"} {"headline":"'ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ምስ ምርጫ ትግራይ ኣተኣሳሲሩ ዘሕልፎ ውሳነ፣ ማዕረ ኣዋጅ ኩናት'ዩ ዝቁጸር' ኢሉ ፈጻሚ ስራሕ ቤት ምኽሪ ትግራይ","content":"መንግስቲ ክልል ትግራይ ሎሚ ምሸት ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ‘ምቅርራባት ቅድመ መረፃ፣ ሕግን ስርዓትን ተኸቲሎም ይዛዘሙ ኣለው። ዝተርፍ ተግባር፣ መረፃ ምክያድን ብውሳነ ህዝቢ መንግስቲ ምምስራትን ይኸውን’ ይብል። ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን፣ ከይዲ መረፃ ትግራይ ደው ክብል እንተዘይኾይኑ ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝግደድ ኣፍሊጡ ነይሩ። ክልል ትግራይ ብወገኑ፣ ነቲ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ዝተልኣኸ ደብዳበ መልሲ ከምዝሃበ'ውን ናይ ሎሚ መግለጺ ይሕብር። ፈጻሚ ስራሕ ቤት ምክሪ ትግራይ ኣብ መግለጺኡ 'ቤት ምክሪ ፈደረሽን ብዘይተለመደ ኣግባብ ኣጀንድኡ ዘይፍለጥ ህፁፅ ኣኼባ ፀዊዑ ይርከብ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝተፅሓፈ ናይ መልሲ ደብዳበ ብግልፂ ከምዘቐመጦ ንክልላዊ መረፃ ህዝቢ ትግራይ ንምትዕንቓፍ ዝመሓላለፉ ዝኾነ ይኹን ውሳነ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ክፍለጥ ይግባእ’ ይብል። 'ምርጫ ትግራይ፣ ብዝለዓለ መንፈስ፣ ድሌትን ልዑል ተሳትፎን ንኹሉ ግልፂ ብዝኾነ ኣግባብ ንምፍጻም ጫፍ ኣብ ዝበፅሓሉ እዋን፣ ከይዲ መረፃ ንምትዕንቓፍ ብፌደራል መንግስቲ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ኢድ ኣእታውነት ኣብ ናይ ሃገር ህልውና ሓደጋ ዘምፅእ ከምዝኾነ ክፍለጥ ይግባእ’ ይብል መግለጺ ስራሕ ፈፃሚ ብ\/ክ\/መ\/ትግራይይብል። እቲ ፈጻሚ ስራሕ ካብ ዘሕለፎም ውሳነትት ገሊኦም፣ 6ይ ክልላውን ከባብያውን መረፃ ብዝኾነ ይኹን ኢድ ኣእታውነትን ፀቕጥን ንሰከንድ እውን ደው ክብል ከምዘይኽእል ደጊምና ነረጋግፅ፣ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን፣ መረፃ ትግራይ ዝኾልፍ ይኹን ዝኾነ ዓይነት ዕንቅፋት ዝፈጥር ውሳነ እንተሕሊፉ ማዕረ ናይ ኹናት ኣዋጅ ምዃኑ ፈሊጡ ካብ ከምዚ ዝበለ ታሪኻዊ ጥፍኣት ንባዕሉ ክቑጠብ ኣጥቢቕና ነተሓሳስብ፣ ንውሳነ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ስዒቡ ዝመፅእ ግብረ መልስን ጉድኣትን፣ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽንን ቀ\/ሚኒስትር ሃገርን ተሓተትቲ ከምዝኾኑ ንኹሉ ፈታውን ፀላእን ግልፂ ክንገብር ንፈቱ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ብወገኑ፣ ንዕዉትነት እቲ መረፃ ቲተረዲኡ ድጋፍ ክገብርን መረፃ ንምትዕንቓፍ ዝግበር ኢድ ኣእታውነት ክኩንንን ፀቕጢ ክፈጥርን ሓላፍነቱ ክዋጻእ ፃውዒትና ነቕርብ’ ዝብሉን ካልኦትን ነጥቢታት ዝሓዘ መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/tigray-statement-on-council-of-federation-warning\/5569835.html"} {"headline":"ተጋሩ ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካ ኣንጻር ምምሕዳር ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ሰልፊ ኣካይዶም","content":"ካብ ዝተፈላለያ ክፍላተ ግዝኣት ዩናይትድ ስቴትስ ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝኣተው ትግራዎት ኢትዮጱያዊያን፣ ኣብ ፊት ንፊት ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ሎሚ ሓሙስ ድምጾም ኣቃሊሖም። ኣብ’ቲ ሰልፊ መደረ ዘስመዐ ፕረዚደንት ቤት ጽሕፈት ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ኣሉላ ሰሎሞን ዕላማ’ቲ ናይ ሎሚ ሰልፊ ‘ንጨቋኒ ዝበሎ ምምሕዳር ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ንምቅዋምን ንምርጫ ትግራይ 2012 ንምድጋፍን’ ከምዝኾነ ገሊጹ። ኣብ’ቲ ሰልፊ ንዝተሳተፉ ኤርትራዊያን’ውን ኣመስጊኑ ኣቶ ኣሉላ ሰሎሞን። አሉላ ኣስዒቡ ‘ዕላማ እቲ ሰልፊ፣ ህዝቢ ትግራይ፣ ንናይ 2012 ዓ\/ም ምርጫ ንምክያድ ንዝጀመሮ ንጥፈት ንምድጋፍ፣ ድምጺ እቶም ተጋሩ ብምኻኖም ጥራሕ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኢትዮጵያ፣ ሳኣን ፍትሒ ይሳቀዩ ንዘለው ናይ ፖለቲካ እሱራት ንምቅላሕ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣይቅበልን ስለዝበለ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑድያን የመንን ይሳቀዩ ንዘለው ዜጋታት ድምጾም ንማሕበረ ሰብ ዓለም ንምቅራብ እዩ’ ኢሉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/tegaru-in-north-america-demonstration-against-addis-ababa\/5569797.html"} {"headline":"ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ይደልዩ","content":"ምስ ስግኣት ኮቪድ-19 ተኣሳሲሩ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ተዳጕኖም ይነብሩ ዘለው ኢትዮጵያዊያን ኣብ ኣስካፊ ኩነታት ከምዝርከቡ ብምግላፅ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዝደልዩ ገሊፆም።ኣብ ዶብ ስዑዲ ዓረብን የመንን ዝርከብ ‘’ጄዛን’’ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝርከቡ ሓደ ካብ ክፍሊ ኦሮምኛ ንትዕግስቲ ገሜ ኣብዝሃቦ ቃለ ምልልስ ‘’ናብ ሃገርኩም ክትምለሱ ምስመንግስትኹም ተዘራሪብና ኣለና’’ ኢሎም ወታደራት መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትዮምና ይብል። ብድሕሪኡ ግን ቁሊሕ ኢሉ ዝርኣዮም ዝኾነ ይኹን ኣካል ከምዘየለ፣እኹል ምግቢ ከምዘይረኽቡ፣እቲ ቤት ማእሰርቲ ፀቢብ ብምዃኑ ብዝፍጠር ምፅቕቓጥን ሙቐትን ዝተልዓለ ንሕማም ይቃልዑ ከምዘለው ሓቢሩ። ካብ ወሎ ባሕሪ ኣቋሪፁ የመን ንምእታው 70,000 ብር ከምዝኸፈለ ዝገለፀ መንእሰይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጂዛን ዝርከቡ እሱራት ዝርከብሉ ዘስካሕክሕ ኩነታት ዘርዚሩ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopian-held-in-saudi-prisons-due-to-covid-19-want-to-come-to-their-country\/5569777.html"} {"headline":"ባይቶ ይኣክል ጨንፈር ዋሺንግተን ዲሲ ዝሓለፈ ቀዳም ተመስሪቱ","content":"09-02-20 ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንኣዋርሕ ተጎናዲቡ ዝጸንሐ ምምስራት ባይቶ ይኣክል ጨንፈር ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን፡ ዝሓለፈ ቀዳም 29 ነሓሰ 2020 ተመስሪቱ'ሎ። እቲ ብናይ ዙም ቪድዮ ብርሕቐት ዝተኻየደ ኣኼባ ብቕሉዕን ናጻን ዝተኻየደን ደሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተኸተለን ምንባሩ'ውን ተጠቒሱ'ሎ። ምስ ኣባል መሪሕነት ባይቶ ይኣክል ጨንፈር ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን ኣቶ ማሕፉዝ ኢብራሂም ዝተኻየደ ቃለ-መጠይቕ ቀዳማይ ክፋል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available .","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5568218.html"} {"headline":"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣሲሮም ዝነበሩ ሓሙሽተ ኣመራርሓን ኣባላትን ህወሓት ተፈቲሖም","content":" ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%89%B0%E1%8A%A3%E1%88%B2%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A9-%E1%88%93%E1%88%99%E1%88%BD%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%AD%E1%88%93%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%89%B2%E1%88%96%E1%88%9D\/5566854.html"} {"headline":"ኣብ ሱዳን ብዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ውሕጅ 90 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ","content":"ኣብ ሱዳን ኣብ ታሪኽ'ታ ሃገር ዝኸፍአ ዝተባህለ ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ውሕጅ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ሓገዝ የድልዮም ኣሎ ክብል ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ እቲ ብርቱዕ ውሕጅ ንፈለግ ኒል ኣብ ውሽጢ 100 ዓመታት ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ክበጽሕ ከምዘኽኣሎን ከም ሳዕቤኑ ድማ 90 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ'ሎ እዚ ምዕልቕላቕ ውሕጅ ንመነባብሮ ኣስታት 380 ሽሕ ሰባት ከምዝተንከፈን ኣስታት 80 ሽሕ አባይቲ:34 ኣብያተ ትምህርቲ:2,400 ትካላት ጥዕና ጉድኣት ምብጽሑ'ውን ተገሊጹ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%8D%E1%89%95%E1%88%8B%E1%89%95-%E1%8B%8D%E1%88%95%E1%8C%85-90-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5566843.html"} {"headline":"20 ኣባላት ኮንግረስ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ከምዘተሓሳሰቦም ገሊፆም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ከምዘተሓሳሰቦም ዝገለፁ 20 ኣባላት ኮንግረስ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ምፍትሒ ንምርካብ ክንቀሳቐስ ሓቲቶም።እዞም ኣባላት ወከልቲ ህዝቢ ንምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ማይክ ፖምፒዮ ኣብዝለኣኹዎ ደብዳበ ኣብዚ ሕዚ እዋንኣብ ኢትዮጵያ ይርኣዩ ኣለው ዝበሉዎም ስግኣታት ብምሕባር ዝተስወዱ ስጉምትታት ኣብ ውሽጢ 60 ማዕልታት ከፍልጡዎም ሓቲቶም ኣለው። እቶም ኣባላት ኮንግረስ 15 ነሓሰ 2012 ዓ\\ም ኣብ ዝፀሓፉዎ ደብዳበ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ይርኣይ ኣሎ ብዝበሉዎ ኩነታት ስግኣቶም ገሊፆም።’’ሓይልታት ፀጥታ ይወስዱዎም ኣለው’’ ዝበሉዎም ‘’ብዘይኣገባብ ሓይሊ ምጥቃም፣ብሄርን ሃይማኖትን መሰረት ዝገበረ ህውከት፣ካብ ዴሞክራሲያዊ ኣገባብ ምውፃእ፣ ዝፈጠሩዎም ኣስጋኢ ኩነታት ናብ ሓደገኛ ዝኾነ ዘይምርግጋእ የምርሕ ኣሎ’’ ይብሉ እቶም ኣባላት ኮንግረስ። ‘’ስለዝኾነ ድማ’’ ይብሉ እዞም ኣሜሪካዊያን ኣባላት ኮንግረስ ንፖምፒዮ ኣብዝለኣኹዎ ደበዳበ ‘'ህውከት ጠጠው ንምባልን ንስቪላት ንምሕላውን ምርግጋእን ዝርርብ ንምትብባዕ፣ዴሞክራሲያዊ ትካላት ዓቕሞም ንምሕያል ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ምስ ኩሎም ሰብ ብፅሒትን ተራኺቦም ክዘራረቡ ነተሓሳስብ’' ኢሎም። ይርኣይ ዘሎ ቅልውላው ኣብዚ ደረጃ ክበፅሕ ዝኽኣለ ቕትለት ድምፃዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ምዃኑ ብምዝኽኻር ንናይ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲያዊ ስግግር ከዐንቅፉ ዝኽእሉ ሓደገኛ ዝበሉዎም ናይ ብሄራት፣ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ወጥርታት እናወሰኹ ምምፅኦም ሓቢሮም። ብርክት ዝበሉ ፍሉጣት መራሕቲ ፖለቲላ ምእሳሮም፣ ዝምስረቱ ክስታት ምህላዎምን ሓሳብ ብነፃነት ናይ ምግላፅ ንምኽባር እቲ መንግስቲ ኣርእይዎ ዝነበረ ድልውነት ንድሕሪት ናይ ምምላስ ስግኣት ከምዝሓደሮም ገሊፆም ኣለው። ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ናብ መነበረ ስልጣን ኣብ ዝደየብሉ እዋን ፖለቲካዊ እሱራት ብምፍታሕ፣ ተኣጊዶም ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ፖለቲካዊ ፓርትታት ብነፃነት ክንቀሳቐሱ ብምፍቃድ፣ነፃን ፍትሓውን መረፃ ንምክያድ ዝነበሮም ራእይ ብምዝኽኻር ‘’ስርሖም ክጅምሩ ከለው የሰጉምዎ ዝነበሩ ናይ ለውጢ ኣጀንዳ ንምዕዋት ሎሚ እውን ብዙሕ ስራሕ ከምዘድሊ ግልፂ እዩ’’ ኢሎም። ‘’ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ኢትዮጵያ ካብ ዴሞክራሲያዊ መርሓታት ሸተት ትብል ኣላ’’ ዝበሉ እዞም 20 ኣባላት ኮንግረስ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብዚ መደምደምታ ዘብፅሖም መረዳእታ ክዝርዝሩ ከለው ሓሳብ ብነፃነት ናይ ምግላፅ ከም እትደረተ፣ጋዜጠኛታትን ተቓወምቲ መራሕቲ ምእሳሮም፣ብኢንተርኔት ሓሳብ ናይ ምግላፅ ደረት ይግበር ከምዘሎ ተዛሪቦም።እዞም ኩነታት እዚኦም ህይወማን ራይትስ ዎች፣ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕን ዝኣመሰሉ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ምምዝጋቦምን ቅድሚ ቕትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ዝነበሩ ኣዋርሕ እውን ኢትዮጵያ ንዴሞክራሲያዊ መርሆታት ኣብ ምሕላው ንዝተወሰነ ግዜ ከምዝኣበያን ምግላፆም ሓቢሮም። ዝተወሰኑ ብሄረሰባትን ናይ ሃይማኖትን ዒላማ ዝገበረ ህውከት ብግልፂ ዘርኢዩ ሪፖርትታት ብሓደ ወገን ሓይልታት ፀጥታ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ኣውሪዶምዎ ዝበሉዎም ካብ መጠን ዝዘለለ ሓይሊ ድማ ብኻሊእ ወገን ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ገሊፆም።’’ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኣብዚ ዓመት ክካየድ ዝነበሮ ምርጫ ንዘይተወሰነ እዋን ተናዊሑ ‘’ ዝበለ እቲ ደብዳበ ‘’ኣብ መጀመሪያ ናይ ኣብይ ናይ ስልጣን እዋን ሓሳብ ብነፃነት ናይ ምግላፅ ነፃነት ተኸፊቱ እንተነበረ እውን ሎሚ ግን ብተኸታታሊ ይድረት እዩ ዘሎ’’ክብል ወሲኹ ይግለፅ እቲ ደብዳበ። ‘’ብሰንኪ ህውከት ግጭትን ናይ ነገዳት፣ብሄረሰባትን ፖለቲካን ዘይተረጋግአት ኢትዮጵያ ንዩናይትድ ስቴትስ እትምጥን መሻርኽቲ ኣይትኸውንን፣ዴሞክራሲያዊ እሴታትና ንምርኣይ እውን ክኣብያ እዩ’’ ኢሎም እቶም ኣባላት ቤት ምኽሪ። ኣብ ቀረባ ግዜ ብዝተፈጥሩ ኩነታት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ተቓወምቲ ፖለቲካ፣ምስ ናይታ ሃገር ኣክቲቭስታት ክሰርሑን ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላትን ዴሞክራሲያዊ መትከላትን ክኽበር ፃዊዒት ንክገብሩ ንምንስቴር ወፃኢ ማይክ ፖምፒዮ ኣብ ዝለኣኹዎ ደብዳበ ኣተሓሳሲቦም። ምርጫ ዝካየደሉ ግዜ ዳግም ንምትላምን ነፃን ፍትሓውን ምርጫ ንምክያድ ዘኽእሉ ቅድመ ኩነታት ክፍጠሩ ምስ ኩሎም ፖለቲካዊ ፓርትታት ዝርርብ ከካይዱ፣ንኩሎም ዜጋታት፣ተቓወምቲ ፓርትታትን መራኸቢ ብዙሃንን ኢንተርኔትን ሓሳብ ናይ ምግላፅ ምሉእ ነፃነት ክሰፍን፣ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ዓለምለኸ ደረጅኡ ዝሓለወ ምዃኑ ብዘንፀባርቕ ኩነታት፣ ብዘይኣግባብ ሓይሊ ምጥቃም ዝኽልኽል፣ብግዜ ዝተደረተን ኣዚዩ ኣድልይ ክኸውን ከሎ ጥራሕ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ኮይኑ ክኽለስ፣ኣብ ቀረባ ምስ ዝነበሩ ዕግርግራት ብዝተኣሳሰረ ዝተኣሰሩ ኣግባብነት ብዘለዎ፣ፍትሓውን ግልፂ ብዝኾነ ናይ ዳይነት ከይዲ ክርኣይ፣ኣብ ቀንዲ ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን መራኽቢ ብዙሃንን ብዝተፀብፀቡ መግሃስትታት ሰብኣዊ መሰላት ግልፅን ነፃን ምርመራ ክካየድ፣ናይ ሃጫሉ ሁንዴሳ ቅትለት ሰበብ ብምግባር ካልኦት ማሕበረሰባት ዒላማ ምግባር ሓዊሱ ኣብ መላእ ሃገር ናይ ብሄር መምነትን ሃይማኖትን መሰረት ዝገበሩ ህውከታት ክኹንኑዎ፣ኣብ ልዕሊ ሃጫሉ ዝተፈፀመ ቅትለት ግልፅን ነፃን ምርመራ ክካየድ ማይክ ፖምፒዮ ፃዕሪ ክገብሩ እዞም 20 ኣባላት ኮንግረስ ፀዊዖም ኣለው። እቲ ደብዳበ ብምውሳኽ ‘’ኢትዮጵያ ናይ ዴሞክራስን ሰብላዊ መሰላትን መትከላት ኣብ ምሕላው ብዙሕ ፈተና የጋጥማ ኣሎ’’ይብል።ዩናይትድ ስቴትስ ኣብዞም ጉዳያት ሃናፂ ብዝኾነ ኣገባብ ክትኣቱ ናይ ግድን እዩ ዝበሉ እዞም ኣሜሪካዊያን ኣባላት ኮንግረስ ኣብ ዝለኣኹዎ ሕቶ እዚ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ኩነታት ብቐረባ ተኸታቲሎም ኣሽማቶምን ፊርምኦም ኣብቲ ደብዳበ ንዝተዘርዘሩ ኣባላት ኮንግረስ ኣብ ውሽጢ 60 ማዕልታት ሪፖርት ክገብሩ ኣተሓሳሲቦም። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ‘’ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ሚኖሶታ ሰባት እዮም’’ ዝበልኦም ኣብ ኢትዮጵያ ተታሒዞም ዝርከቡ ሚሻ ጪሪን ጀዋር መሓመድን ክፍትሑ ዝሓትት ደብዳበ ክልተ ኣባላት ሰኔት ክፍለ ግዝኣት ሚኖሶታ ንምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ምልኣኸን ናይቲ ከባቢ ፎክስ ናይን ቴሌቪዥን ፀብፂባ። ሰኔተራት ኤሚ ክሎቡሻርን ቲና ስሚዝንት ‘’ናይዞም ሚኖሶታዊያን ሰብኣውን ሕጋውን መሰላቶም ክሕለወሎም፣ኣብ ኢትዮጵያ ይርኣዩ ኣለው ዝበሉዎም ህውከትን መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ክግትኡ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፃዕሪ ክገብር ንሓታት’’ ይብል ብመሰረት ፀብፃብ ፎክስ ናይን። ኣቶ ጃዋር መሓመድ ኣብ ቀረባ ነባሪት ከተማ ብሌይን ሚኒሶታ ምስ ዝኾነት ብዓልቲ ብስልኪ ኣብ ዝተዘራረብሉ ምሕማሙ ከምዝነገረቶን ነገር ግን ብናይቲ ቤት ማእሰርቲ ሓካይም ክርኣይ ኣዚዩ ከምዘስግኦን ከምዝገለፀላን ፀብፃብ ፎክስ ናይን ወሲኹ ተብፂቡ። ብዛዕባ እዚ መልሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምርካብ ፃዕሪ እናገበርና ኢና።መልሲ ምስ ረኸብና ክነቕርብ ኢና። ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ፖለቲካዊ ሳይንስ ዝኾኑ ዶክተር ኣስናቀ ከፍኣለ ብዛዕባ እዚ ደብዳበ ተሓቲቶም ኣብቲ ደብዳበ ዝተጠቐሱ ከም ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ፓርቲ ልዝብ ምክያድ ዝኣመሰሉ ቁም ነገራት እንተወሃለዎ እውን ሓፈሻዊ ድምፀት ናይቲ ደብዳበ ክርአ ከሎ ግን ንሓንቲ ልኡላዊት ሃገር ክልኣኽ ዘለዎ ኮይኑ ኣይረኸቡዎን ኢሎም። ‘’ልኡላዊት ንዝኾነት ሓንቲ ሃገር ዝልኣኽ፣ልኡላዊ ንዝኾነት ሃገር ዝምልከት ዝተፅሓፈ ደብዳበ ኣይመስልን።መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዚ ክገብር ኣለዎ ዝብል ናይ ትእዛዝ ስምዒት እዩ ዘለዎ። ኢትዮጵያን ኣሜሪካን መሻርኽቲ ሃገራት እንተኾና እውን ከምዚ ንዝበለ ሪኢቶ ዘይክትቕበሎ ትኽእል፤ኣይክትቕበሎን እውን’’ ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/twenty-us-congressmen-expressed-serious-concern-about-the-recent-unrest-in-ethiopian-and-sent-a-letter-to-state-department\/5566349.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ንዝካየድ ምርጫ ምምዝጋብ መረጽቲ ተዛዚሙ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ንዝካየድ ምርጫ ምምዝጋብ መረጽቲ ትማሊ ተዛዚሙ:: ኣብዚ ምዝገባ 2.6 ሚልዮን መረፅቲ ንምምዝጋብ ተተሊሙ ልዕሊ 2. 74 ሚልዮን መረፅቲ ከምዝተመዝገቡ ኮምሽን ምርጫ ክልል ትግራይ ገሊፁ:: እቲ ኮምሽን ቫይረስ ኮረናብምክልኻል እቲ ከይዲ ምርጫ ይቕፅል ከምዘሎ ሓቢሩ:: ኣብ ገለ ገለ ከባቢታት ሰባት ብግዲ ካርድ ምርጫክወስዱ ይግደዱ ኣለዉ ንዝበሃል ጠሚቱ ነቲ ኮምሽን: \"ምርጫ መሰል እዩ ብፍቓድኻ ዝካየድ: ኣብዚ ከይዲ ድማ ተገዲደ እየ ኢሉ ዘመልከተ ኣብቲ ክልል የለን\" ዝብል ምላሽ ሂቡ:: ንኣባል ኣመራርሓ እቲ ኮምሽን ተሓባባሪ ፕሮፌሰር መረሳ ፀሃየ ኣዘራሪብና ዝተዳለወ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8C%8B%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%88%A8%E1%8C%BD%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%99\/5565439.html"} {"headline":"ኣብ ኤርትራ ዞባ ማእከል ዕስለ ኣንበጣ ተራእዩ","content":"ኣብ ኤርትራ ሰሜናዊ ምብራቕ ዞባ ማእከል፥ ዝተራእየ ዕስለ ኣንበጣ ፥ ኣብ ዘራእትን ጀርዲንን ጉድኣት ከየውረደ ንምቁጽጻሩ፡ ብምትሕብባር ህዝቢ፡ ምምሕዳራት፡ሓይልታት ምክልኻልን ሞያውያን ሕርሻን፥ ሓያል ስራሕ ይካየድ ከምዘሎ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ጸብጺቡ። ካብ ጨንፈር ሚንስትሪ ሕርሻ ዞባ ማእከል ኣቶ ኣብርሃም እዮብ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡እቲ ዕስለ ኣንበጣ ምድረ-በዳ ፡ ካብ ቀዳም 29 ነሓሰ ጀሚሩ ካብ ዞባ ሰ\/ቀ\/ባሕሪ ብዓርጎሎ ኣቢሉ ናብ ከባቢ ድርፎ ከምዝሰገረ ብምግላጽ፡ ኣቐዲሙ ክትትልን ምድላዋትን ክግበር ብምጽንሑ ግን ኣብ ዝዓረፈሉ ቦታታት መድሃኒት ብምንጻግ ንምቁጽጻሩ ኣድማዒ ስራሕ ከም ዝተዓመ ሓቢሩ። ሚንስትሪ ሕርሻ ኣቐዲሙ ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት ፡ነበርትን ሓረስቶትን ዕቱብ ክትትል ክገብሩ ምጽንሖም ዝሓበረ ኣመሓዳሪ ከባቢ ድርፎ ኣቶ ዑመር ኢብራሂም ጀቢብ ድማ፡ ኣብ ሃብቲ ገረብን ዘራእትን ዝጥቀስ ዕንወት ከየውረደ መድሃኒት ብምንስናስ ንምጥፍኡ ይስራሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ኣብ’ቲ ዕማም ነበርቲ ናይ’ተን ዝተራእየለን ዓድታት ብውህደት ይሳተፉ ከምዘለዉ፡ተራ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ህዝባዊ ሰራዊትን ድማ ኣድማዒ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ሓቢሩ። ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን የመንን ዝሰገረ ጻዕቂ ዘይብሉ ሓዲሽ ተርእዮ ዕስለ ሳጋሚ ኣንበጣ ምድረ-በዳ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ብንኡስ ጉጅለታት ኣብ ውሱን ከባቢታት ዞባ ሰ\/ቀ\/ባሕሪ ተራእዩ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ። እቲ ኣብ ንኡስ ዞባታት ገልዓሎ፡ ፎሮ፡ ጊንዳዕ፡ ሽዕብ፡ ኣፍዓበትን ቃሮራን ዝተኸስተ ኣንበጣ ፡ተጌሩ ብዝጸንሐ ኩሉመዳያዊ ምድላዋት ብመድሃኒት ንምጥፍኡ ውሁድ ስራሕ ከምእተዓመ እቲ ዜና ወሲኹ ይገልጽ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8D-%E1%8B%95%E1%88%B5%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%8C%A3-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%A5%E1%8B%A9\/5565431.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ሃብቶም ወግዓዊ ዘይገበሩ 164 ሰበስልጣን መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ክውዕሉ ተወሲኑ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ሃብቶም ወግዓዊ ዘይገበሩ 164 ሰበስልጣን መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ክውዕሉ ምውሳኑ ኮምሽን ስነ ምግባርን ፀረ ብልሽውና እታ ሃገር ኣፍሊጡ። ኣብቲ ኮሚሽን ዳይረክተር ዳይረክቶሬት ምፍላጥን ምምዝጋብን ሃብቲ ኣቶ መስፍን በላይነህ ከምዝገለፁዎ ኣብ ቀይዲ ክኣትው ዝተወሰኖም ሰበስልጣን መጠን ሃብቶም ከመዝግቡ ክሳብ 30 ሰነ 2012 ናይ ግዜ ደረት ተቐሚጥሎም ከፍልጡ ፍቓደኛታት ብዘይምዃኖም እዩ ኢሎም። ኣቶ መስፍንሽም ናይቶም ሰበስልጣን ኣይተገለፀን፤ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ፌደራልን ዝተሸሙ ምዃኖም ግን ሓቢሮም ኣለው ። ዝርዝር ሽም ናይቶም ሰበስልጣንን ደረጃ ሓላፍነቶምን 20 ነሓሰ 2012 ዓ\\ም ናብ ፌደራል ፖሊስ ከምዝተልኣኸው ወሲኾም ገሊፆም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%83%E1%89%A5%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8B%88%E1%8C%8D%E1%8B%93%E1%8B%8A-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%88%A9-164-%E1%88%B0%E1%89%A0%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%89%90%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%AD%E1%8B%8D%E1%8B%95%E1%88%89-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B2%E1%8A%91\/5562423.html"} {"headline":"ሚ\/ሕርሻ ኤርትራ ተርእዮ ኣንበጣ ምድረበዳ ንምምካት ህዝቢ ከባቢኡ ብንቕሓት ክከታተል ጸዊዑ","content":"ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ተርእዮ ኣንበጣ ምድረበዳ ንምምካት ህዝቢ ከባቢኡ ብንቕሓት ክከታተል ጸዊዑ :: ለበዳ ኣንበጣ ንምምካትን ንምቁጽጻርን ኣብ ዝካየድ መኸተ ኩሉ ሕብረተሰብ ከባቢኡ ብዕቱብ ክዕዘብን ተርእዮታት ኣንበጣ ምስ ዝዕዘብ ንዝምልከቶ ኣካል ብቕልጡፍ ክሕብርን ሚንስትሪ ሕርሽ ኤርትራ ንህዝቢ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A-%E1%88%95%E1%88%AD%E1%88%BB-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AE-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%8C%A3-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%89%A0%E1%8B%B3-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8A%AB%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%8A%A1-%E1%89%A5%E1%8A%95%E1%89%95%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8A%A8%E1%89%B3%E1%89%B0%E1%88%8D-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%91\/5562418.html"} {"headline":"ካብ የመንን ኢትዮጵያን ተበጊሱ ናብ ኤርትራ ዝሰገረ ዕስለ ኣንበጣ፥ኣብ ገለ ከባብታት ከምዝተራእየ ሚ\/ሕርሻ ኣፍሊጡ","content":"ካብ የመንን ኢትዮጵያን ተበጊሱ ናብ ኤርትራ ዝሰገረ ዕስለ ኣንበጣ፥ኣብ ከባብታት ፎሮ፡ገላዕሎ፡ቃሩራ፡ ኣፍዓበትን ጊንዳዕን ከምዝተራእየ ሚንስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ኣፍሊጡ። ነቲ ዕስለ ኣንበጣ ንምቁጽፃር ድማ፡ ናይ መንጸጊ ማሺናት ተመዲበን፡ ቅድሚ ሓደጋ ምብጽሑ ናይ ምክልኻል ጻዕሪ ይካየድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ'ሎ። ኣብ ኢትዮጵያ'ውን ኣብ ክልል ትግራይን ገለ ካልኦት ክልላትን ወራር ኣንበጣ ከምዝተራእየ ምሕባርና ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%A8%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%89%A0%E1%8C%8A%E1%88%B1-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%88%B0%E1%8C%88%E1%88%A8-%E1%8B%95%E1%88%B5%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%8C%A3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%88%E1%88%88-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%A5%E1%8B%A8-%E1%88%9A-%E1%88%95%E1%88%AD%E1%88%BB-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5560608.html"} {"headline":"ደቡብ ክልል ኢትዮጵያ: ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ 28ሽሕ ሰባት ብሰንኪ ውሕጅን ምሕማም መሬትን ካብ መነባብሮኦም ምፍንቓሎም ተሓቢሩ","content":"ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ፥ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓደጋ ተፈጥሮ የጋጥም ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ። እቲ ሓደጋ ን10`ታት ኣሸሓት ዜጋታት ንሕሰም ናብራ ከምዘቃልዐ`ውን ይግለጽ። ኣብ ክልል ደቡብ፥ ኮሚሽን ምክልኻል ሓደጋ ከምዝሓበሮ፥ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ጥራሕ፥ ልዕሊ 28 ሺሕ ህዝቢ ብውሕጅን ብሓደጋ ምህማም መሬትን ፡ ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም ኣለዉ- ውሑዳት ዘይብሃሉ`ውን ህይወቶም ምስኣኖም ሓቢሩ'ሎ። ነቶም ዝተጎድኡ ንምሕጋዝ ዝግበር ጻዕሪ ድማ ብለበዳ ሕማም ኮሮና ፈታኒ ይኸውን ከምዘሎ- ኮሚሽነር ጋንታ ጋሩማ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ​: በንጻሩ ግን ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ ፍታሕ ንምምጻእ ይስርሓሉ ከምዘሎ ገሊጹ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8D%E1%88%BD%E1%8C%A2-%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%88%92-28%E1%88%BD%E1%88%95-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8B%8D%E1%88%95%E1%8C%85%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%88%9B%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%88%AC%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%90%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%AE%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%8A%95%E1%89%93%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5560605.html"} {"headline":"አባላት ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ንመንግስቲ ክልሎም ራሕሪሖም ናብ ክልል ኣምሓራ ምእታዎም ተገሊጹ፥ መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ነቲ ሓበሬታ ነጺግዎ'ሎ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ፥ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ትግራይ፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ራሕሪሖም ናብ ክልል ኣምሓራ ኣትዮም ክብል ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ ። ክሳብ ትማሊ፥ 60 ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ትግራይ መምስ ዕጥቆም ናብ ክልል ኣምሓራ መጺኦምና`ለዉ ዝበለ ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ጌታቸው ብዙነህ፥ ምስ ምርጫ ትግራይ ብምትሕሓዝ ካብ ማእሰርትን መቕጻዕትን ከም ዝሃደሙ ምዃኖም'ውን ገሊጹ`ሎ። ብዛዕባ'ዚ ምላሽ ዝሃበ ቤት-ጽሕፈት ርክብ ህዝቢ ክልል ትግራይ ብወገኑ፥ እቲ ንክልል ትግራይ ራሕሪሖም ናብ ክልል ኣምሓራ ኣትዮም ዝብል ወረ 'ውጹእ ሓሶት`ዩ-ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ምርጫ ንምህዋኽ ዝዓለመ`ዩ' ዝብል ምላሽ ሂቡ`ሎ።​ ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%89%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%88%AB%E1%88%95%E1%88%AA%E1%88%96%E1%88%9D-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%8A%95-%E1%8A%90%E1%89%B2-%E1%88%93%E1%89%A0%E1%88%AC%E1%89%B3-%E1%8A%90%E1%8C%BA%E1%8C%8D%E1%8B%8E-%E1%88%8E\/5560601.html"} {"headline":"ቃለ-መጠይቕ ድምጺ ኣመሪካ ምስ ሓድነት ቀለታን በረኸት ተኽለን","content":"ምስ ሓላፊት ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኢምባሲ ኤርትራ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ከምኡ ድማ ምስ ኣባል ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን ኣመሪካውያን በረኸት ተኽለን ዝተኻየደ ቃለ-መጠይቕ ቀዳማይ ክፋል ኣብዚ ኣብ ዩኤስ ን8ተ መዓልታት ብርሕቐት(ማንዛ) ክካየድ ዝቐነየ ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ፥ ዝሓለፈ ቀዳም ተዛዚሙ`ሎ። እቲ ፈስቲቫል ኣብ ታሪኽ ኤርትራ፡ ኣብ ተሳትፎ ደቀንስትዮ፥ ከምኡ`ውን ኣብ መንእሰያትን ቆልዑትን ኣተኩሩ ከም ዝተኻየደ ዝገለጹ ወደብቲ`ቲ ፈስቲቫል፥ ኣመሪካውያንን ካልኦት ኣፍሪቃውያንን ክኢላታትን ጋዜጠኛታትን ዝተሳተፍሉ ንፖለቲካዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃን፥ ምሕዝነት ኤርትራን ኣመሪካን ዝጠመተ መድረኽ`ውን ተዳልዩ ከምዝነበረ ሓቢሮም ኣለዉ። ምስ ሓላፊት ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኢምባሲ ኤርትራ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ከምኡ ድማ ምስ ኣባል ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን ኣመሪካውያን በረኸት ተኽለን ዝተኻየደ ቃለ-መጠይቕ ቀዳማይ ክፋል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ​","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5557771.html"} {"headline":"'መንግስቲ ክልል ትግራይ ናይ ምርጫ ካርድ ኣይወሰድኹምን ብምባል ሰባት ምእሳሩ ናይ ወልቃይት አምሓራ መንነት አስመላሽ ኮሚቴ ይኸስስ:መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ነዚ ይነጽግ","content":"'መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን፣ ካርዲ ናይ ምርጫ ኣይወሰድኩምን ኢሉ ካብ 200 ክሳብ 300 ሰባት ኣሲሩልና’ ክብል የወልቃይት የአማራ ማንነት አስመላሽ ኮሚቴ ከሲሱ። ኣብ ጠገዴ ዝነብሩ ገለ ሰባት ‘ካድረታት ወያነ፣ መንግስቲ ምርጫ ንክነካይድ ተሰማሚዑ እናበሉ፣ ካርዲ ምርጫ ንክንወስድ ንግደድ አለና’ ከምዝበሉ ተገሊጹ። እንተኾነ፣ ንክሲ እቲ ኮሚቴ ዝነጸጉ ሓላፊ ጸጥታን ምክትል ኣማሓዳሪን ንወልቃይት ዝሓወሰ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣቶ ስቦሕ ሓጎስ ‘ኣገዲድካ ምርጫ ዝባሃል ነገር የለን፣ ይትረፍ’ዶ 200 ወይ 300 ሰባት፣ ሓደ ሰብ በዚኣ ተኣሲረ ዝብል እንተልዩ፣ ተሓተቲ ንኸውን’ ኢሎም። ዛጊት ኣብ’ቲ ዞባ ክሳብ 90 ሚእታዊት መረጽቲ፣ ተመዝጊቦም መምረጺ ካርዲ ከምዝወሰዱ ኣቶ ስቡሕ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም አለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%AB%E1%88%AD%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8B%B5%E1%8A%B9%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%88%B0%E1%88%A8-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%89%83%E1%8B%AD%E1%89%B5-%E1%8A%A0%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B4-%E1%8B%AD%E1%8A%B8%E1%88%B5%E1%88%B5\/5557718.html"} {"headline":"መቐለ- ኣብ ምርባሕ ከብቲን ውፅኢት ፀባን ዝተዋፈረት ኣብነታዊት ጓል ኣንስተይቲ","content":"ወይዘሮ ሙሉ ነጋሽ ትብሃል ነባሪት ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ሰሜን ጣብያ ዓይደር ቀበሌ 03 እያ። ወይዘሮ ሙሉ ምስ ቤት ምክሪ ንግድ ዘፈር ማሕበራይን ከተማ መቐለ ካብ ክልል ትግራይ ወፃኢ ዑደት ልውውጥ ተሞክሮ እንክትገብር ቀልባ ዝወሰደ ዝርኣየቶ ምርባሕ ፀባ ላሕሚ ምንባሩ ትዛረብ። ሙሉ ኣብ ከይዲ ስራሕ እናሃለት 18 ዝኣኽላ ናይ ፈረንጂ ፀባ ላሕሚ ሞይተንኣ ተስፋ ከይቆረጸት ዳግም ናብ ስራሕ ብምእታው ውፅኢታዊት ከምዝኮነት ትዛረብ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88--%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%89%A3%E1%88%95-%E1%8A%A8%E1%89%A5%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%8B%8D%E1%8D%85%E1%8A%A2%E1%89%B5-%E1%8D%80%E1%89%A3%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%8B%E1%8D%88%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8C%93%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%8B%AD%E1%89%B2\/5556225.html"} {"headline":"በዓል ኣሸንዳ 2012 ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ኣደባባይ ኣይተኸበረን","content":"በዓል ኣሸንዳ 2012 ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ኣደባባይ ኣይተኸበረን:: እቲ በዓል ብምኽንያት ቫይረስኮረና \"ኣሸንዳ ኣብ ገዛና\" ብዝብል እዩ ተኸቢሩ:: ምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል: \"ኣሸንዳ ኣብ ኣደባባይ ከይነኽብር ዝገበረና ለበዳ ኮረና ቫይረስ ጠመተ ሂብና ክንከላኸሎ ይግባእ ኢሎም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%B8%E1%8A%95%E1%8B%B3-2102-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%B0%E1%89%A3%E1%89%A3%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%8A%95\/5556064.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ዝተላዕለ ህውከት ዝያዳ ጥርጣረን ምክፍፋልን ይፈጥር ኣሎ ተባሂሉ","content":"ንቕትለት ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ዝተላዕለ ናዕቢ ዛጊት ክሃድእ አይከኣለን ። ስጋብ ሐጂ ኣስታት178 ሰባት ሞይቶም፤ ብዝሒ ዘለዎም መንበሪ ኣባይትን ኣብያተ ንግድን ዓንዮምን ብአሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ድማ ተኣሲሮም ኣለዉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8B%AB%E1%8B%B3-%E1%8C%A5%E1%88%AD%E1%8C%A3%E1%88%A8%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%8D%8B%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%82%E1%88%89\/5556000.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ምስ ኦነግ ሸኔ ብዝተኻየደ ቶክሲ 3 ሰባት ሞይቶም","content":" ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ ከባቢ ኣርጡማ ፋርሲ ምስ ኣባላት ኦነግ ሸኔ ብዝተኻየደ ቶኽሲ 3ሰባት ከምዝተቐተሉ ኣማሓዳሪ’ቲ ዞባ ኣሕመድ ሓሰን ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም። እቲ ቶኽሲ ዝሓለፈ ዓርቢ ከምዝተኻየደን ክልተ ኣባላት ኦነግ ሸኔን ሓደ ኣባልፖሊስን ከምዝሞቱን ክልተ ኣባላት ሸኔ እውን ከምዝተማረኹን እቶም ኣማሓዳሪ ገሊፆም። እቶም ኣማሓዳሪዝተጀመረ ናይ ሰላም ምርግጋፅ ስራሕ አሓይሉ ከምዝቕፅል ገሊፆም:: ካብ ኦነግ ሸኔ መልሲ ንምርካብ ዝተኻየደ ፈተነ ኣይተዓወተን ምላሽ ምስ ረኸብና ከንሕብር ኢና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5555949.html"} {"headline":"ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኢትዮጵያ ዝርጋሐ ኮቪድ 19 ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ","content":"ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኢትዮጵያ፣ ቫይረስ ኮሮና ብብዝሒ ይረአ ከምዘሎን አብ ጽቅጥቅጥ ዝበዝሖም ኣብያተ ማእሰርቲ’ታ ሃገር ብናህሪ እቲ ቫይረስ ክጋፋሕ ከምዝኽእል፣ ሰራሕተኛታት ጥዕናን ከባቢያዊ ሰበ ስልጣንን ይገልጹ። ኣብ ዝዋይ ሓላፊት ምርመራ ኮቪድ 19 ዝኾነት ነርስ ዳምባል ቃሲምን ካልኦትን ከምዝብልዎ ‘ዝተወሰኑ እሱራት፣ ቫይረስ ኮሮና ሒዝዎም ኣሎ’ ይብሉ፣ ሰበ ስልጣን እቲ ከባቢ ድማ ‘እሱራት ንክምርመሩ ይግበር ከምዘሎ’ውን’ ጠቂሶም። ደምባል ወሲኻ ‘ኣብ’ተን ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ ክልተ ሕሙማት ኮቪድ 19 ከምዝነበሩ፣ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ክልተ ቅነ ግና በዝሒ ሕሙማት ናብ 23 ክብ ምባሉ ተሓቢሩ'ሎ። ብተመሳሳሊ ዜና፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርጋሐ ኮቪድ 19 ንምንጻርን ን17 ሚልዮን ቤታት ክሳብ 200 ሽሕ ሰባት ንምምርማር ብመሰረት ዝወጸ መደብ፣ ዛጊድ ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት ከምዝተመርመሩ ዳይረክተር ትካል ጥዕና ሳይንስ’ታ ሃገር ዶ\/ር ኤባ ኣባተ ገሊጾም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AB%E1%89%B0-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8C%8B%E1%88%90-%E1%8A%AE%E1%89%AA%E1%8B%B5-19-%E1%8B%AD%E1%8B%8D%E1%88%B5%E1%8A%BD-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%82%E1%88%89\/5553167.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኦሮምያ ተቓውሞ ኣብ ዘይተራእየሉ ከባቢታት ሰላማዊያን ሰባት ምቕታሎም ቤተሰብ ግዳያት ሓቢሮም","content":"ተቃውሞ ኣብ ዘይተኸሰተሉ ገለ ከባቢታት ክልል ኦሮምያ፣ ሰላማዊ ዜጋታት ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተቀተሉ ኣባላት ስድራቤት ግዳያት ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም። ብፍላይ ኣሳሳ ኣብ ዝተባሃለት ከተማ ክልል ኦሮምያ፣ ገሊኦም ኣብ ቤቶም እናሃለው ካልኦት ድማ ካብ መስጊድ እናወጹ ከለው ከምዝተቀትሉ ቤተሰቦም ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቦም። ኣብ ካልእ ከባቢታት ክልል ኦሮምያ’ውን፣ ህጻናትን ኣረጋዊያንን ከምዝተቀተሉ እቲ ዜና ይሕብር። ቢሮ ጸጥታን ምሕደራን ክልል ኦሮምያ ብወገኑ ‘ካብ ሕጊ ወጻኢ ንዝኾነ ምንቅስቃስ ንምቁጽጻር መንግስቲ ስጉምቲ ከምዝወሰደን፣ ገሊኦም ስጉምቲታት ተወሳኺ መስርሕ ምጽራይ ክግበረሎም ከምዝግባእ ሓቢሩ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%88%9E-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%A5%E1%8B%A8%E1%88%89-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%B3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%89%A4%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%8C%8D%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/5553159.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ንዝካየድ ምርጫ ምዝገባ መርፅቲ ተጀሚሩ","content":" No media source currently available No media source currently available","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%89%A3-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%8D%85%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9\/5552890.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተሓዙ ሰባት ይውስኽ ምህላው ተገሊጹ","content":"ቢሮ ሓለዋ ጥዕና እቲ ክልል ትግራይ ኣብ ሕብረተሰብ ብዘሎ ሸለልተኝነትን መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮ ድማ ጠመተ ገይሮም ብዘይምስርሖም ቑፅሪ ብኮረና ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት ይውስኽ ኣሎ ኢሉ:: ኣብ ዝሓለፉ 14 መዓልታት ጥራሕ በቲ ቫይረስ ልዕሊ 1500 ሰባት ተለኺፎም:: ኣብቲ ክልል ክሳብ ሐዚ 2527 ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ምምዝጋቦም’ውን ተሓቢሩ’ሎ:: ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ሎሚ ዓርቢ ብዘውፀኦ ውፅኢት ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ከምዘመላኽቶ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ዝተኻየደ ምርመራ 133 ሰባት ቫይረስ ኮረና ተረኺብዎም:: ዛጊድ ልዕሊ 38 ሽሕ ሰባት ምርመራ ተኻይድሎም 2527 በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ምምዝጋቦም ተረጋጊፁ:: ሓበሬታ እቲ ቢሮ ከምዘመላኽቶ ኣብ ውሽጢ 4 ኣዋርሕ በቲ ቫይረስ ዝተጠቕዑ ሰባት ቑፅሪ ከባቢ 1000 ዝነበረ ኮይኑ ካብ ባሕቲ ነሓሰ ጀሚሩ ግን ለበዳ እቲ ቫይረስ እናተጋደደ ይመፅእ ብምህላዉ ኣብ ውሽጢ 14 መዓልታት በቲ ቫይረስ ልዕሊ 1500 ሰባት ተለኺፎም:: በቲ ቫይረስ ኣብ ክልል ትግራይ ህይወት 15 ሰባት እውን ሓሊፉ ኣሎ:: ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶክተር ርእየ ኢሳያስ ለበዳ እቲ ቫይረስ ይጋደድ ዘሎ ግንዛበ ኣብ ሕብረተሰብ ዋላ እንተሃለወ ብኣግባቡ ብዘይምጥንቃቕን መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮ እውን ግቡእ ጠመተ ሂቦም ብዘይምስርሖም እዩ ኢሎም:: ብተወሳኺ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቑፅሮም ይውስኽ ዘሎ ናይ ምምርማር ዓቕሚ እቲ ክልል ብምውሳኹ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም:: ኣብ ትግራይ በቲ ቫይረስ ካብ ዝተትሓዙ ሰባት 1105 ሰባት ድሒኖም ካብ ገዝኦም ከምዝተፋነዉ እውን ተሓቢሩ ኣሎ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%89%A5%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%93%E1%8B%99-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8B%8D%E1%88%B5%E1%8A%BD-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5551619.html"} {"headline":"ክልል ትግራይ: ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ሰለስተ ወረዳታት ከምዝተራእየ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ፥ ካብ ቅድሚ ትማሊ ጀሚሩ ፥ ዕስለ ኣንበጣ፥ ኣብ ሰለስተ ወረዳታት ከም ዝተራእየ ቤት ጽሕፈት ልምዓት ሕርሻ ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ። እቲ ዕስለ፥ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተወሰነ ዘራእቲ ጉድኣት ከም ዘውረደ ቤት ጽሕፈት ልምዓት ሕርሻ ክልል ትግራይ ብምጥቃስ፥ ናይቲ ጉድኣት መጠን ገና ይጽናዕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%95%E1%88%B5%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%8C%A3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%A5%E1%8B%A8-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5550264.html"} {"headline":"ኣብ ኤርትራ ቁጽሪ ቫይረስ ኮሮና ዝተረኽቦም ሰባት ናብ 304 ክብ ኢሉ","content":"ኣብ መወሽቢ ማእከላት ዞባታት ጋሽ ባርካን ደቡብን ተዓቒቦም ንዝጸንሑ ሰባት ሰሉስ 18 ነሓሰ ብዝተገብረሎም መርመራታት፡ 19 ሰባት ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኽቦም ሚንስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ`ሎ። እዞም ቫይረስ ዝተረኽቦም ሰባት 16 ካብ መወሽቢ ማእከል ዓዲባራ፡ሓደ ካብ መወሽቢ ማእከል ዓሊጊድር፡ ሓደ ካብ መወሽቢ ማእከል ኦምሓጀር ዞባ ጋሽ ባርካ ክኾኑ’ከለዉ፡ ሓንቲ ድማ ካብ መወሽቢ ማእከል ሰርሓ ዞባ ደቡብ ከምዝኾኑን፥ ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ሳምንታት ካብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝተመልሱ ከምዝኾኑን ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሓቢሩ’ሎ። እዚ ከምዚሉ’ከሎ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ዞባታት ጋሽ- ባርካን ደቡብን ኣብ ዝርከቡ ሆስፒታላት ተዓቑቦም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 13 ዜጋታት ሓውዮም ነናብ ቤቶም ከምእተፋነዉ እቲ ሚንስትሪ ኣፍሊጡ’ሎ። በዚ መሰረት ቁጽሪ ቫይረስ ኮሮና ዝተረኽቦም ሰባት 304 በጺሑ’ሎ። ካብኣቶም ድማ 261 ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ክፋነዉ’ከለዉ 43 ድማ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቑቦም ከምዝርከቡ ተሓቢሩ’ሎ። ዛጊት ቁጽሪ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ብፍንዉ ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ዜጋታት ድማ 13,306 ከምዝበጽሐ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሓቢሩ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%A8%E1%8A%BD%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-304-%E1%8A%AD%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%88%89\/5550250.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ካቢነኦም ሓድሽ መዝነትን ምደባ ስራሕን አካይዶም","content":"ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ካብኔኦም ሓዱሽ መዝነትንን ናይ ስራሕ ምደባን ገይሮም። ዶክተር ቀንኣ ያዴታ ሚንስትር ምክልኻል ብምዃን ተሸይሞም ኣለው። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ካብ ዝሸሙዎን11 ሰባት ናይ ኣዲስ ኣበባ ምኽትል ከንቲባ ዝነበሩ ኣቶ ታከለ ኡማ ሚንስትር ሚንስትሪ ማዕድንን ነዳድን ኮይኖም ኣለው።ኣብ ክንድኦም ናይ ፌደራል ጠቕላሊ ዓቃቢት ሕጊ ዝነበራ ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤ ናይ ኣዲስ ኣበባ ምኽትል ከንቲባ ኮይነን ተሸይመን ኣለዋ። ምኽትል ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ዶክተር ጌድዮን ጢሞትዮስ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ብምዃን ተሸይሞም ኣለው። ሓላፊ ፕረስ ሰክሬታሪያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትርዝነበሩ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ኮሚሽን ኮሚሽነር ፈጠራ ዕድል ስራሕ ብምዃን ተሸይሞም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AB%E1%89%A2%E1%8A%90%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8B%B0%E1%89%A3-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95%E1%8A%95-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D-\/5548750.html"} {"headline":"ኣብ ቐይዲ ዝርከብ ፖለቲከኛ ጀውሃር መሓመድ ይሓምም ከምዘሎ ድሕሪ ምሕባሩ ኣብ ክልል ኦሮምያ ተቓውሞ ምልዓሉ ተገሊጹ","content":"ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ዝርከብ ፖለቲከኛ ኣቶ ጀውሃር መሓመድ ሕማም ይስምዖ ከምዘሎ ንቤት ፍርዲ ድሕሪ ምግላፁ ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ብዝተልዓለ ተቓውሞ ህይወት ሰባት ዝጠፍአሉ ጉድኣት ምውራዱ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ገሊፆም። ወሃቢ ቃል ክልል ኦሮሚያ ግን መጠን ዝወረደ ጉድኣት ይጻረይ ምህላውንን ንህዝቢ እውን ከምዝግለፅን ኣፍሊጦም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5548739.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ሩባ ኦሞ ብዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ውሕጅ 15,000 ሰባት ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም ተገሊጹ","content":"ኣብ ደቡብ ክልል ዞባ ኦሞ ሩባ ኦሞ ምዕልቕላቕ ውሕጅ ስዒቡ ኣብ ወረዳ ዳሰነች 15,000 ሰባት ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ናይቲ ዞባ ኣቶ መላኩ ለማ ገሊፆም። ናይ ደቡብ ክልል ኮሚሽን ኮሚሽነር ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕን ኣቶ ጋንታ ጋሩማ ንግዳያት ሰብኣዊ ሓገዝ ምቕራብ ከምዝተጀመረ ሓቢሮም። ብተወሳኺ ብርክት ዝበሉ እንስሳት ዘቤት ጉድኣት ከምዝወረዶምን ማሕበራዊ ትካላት ከምዝዓነውን እውን ተገሊፁ ይብል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%A9%E1%89%A3-%E1%8A%A6%E1%88%9E-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%8D%E1%89%95%E1%88%8B%E1%89%95-%E1%8B%8D%E1%88%95%E1%8C%85-15-000-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%90%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5548727.html"} {"headline":"ኤርትራ: ዝናብ ጉድኣት ከምዘውረደ ተገሊጹ","content":"ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ናይ ኤርትራ ብዝወቅዕ ዘሎ ብርቱዕ ዝናብ ሩባታት ልዕሊ ዓቐን ብምምልኦም ዝሰዓበ ውሕጅን ምዕልቅላቕን ኣብ ንብረት፡ሕርሻዊ ትሕተ ቅርጽን እንስሳታትን ከቢድ ጉድኣት ከምዘውረደ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ጸብጸቡ።በት ሓደጋ 266 ዒላታት፡176 ሞተረታት ማይን ብርክት ዝበለ መንበረ ኣባይቲ ከምዝዓነዉ ተገሊጹ። እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ብሰንኪ ምምላእ ሩባታት ኣብ ወሰናስን ሩባታት ዝተደኮና ዓድታትን ከተማታትን ስግኣት ከምዘሕደረ ተገሊጹ’ሎ። ብካልእ ዜና መበል 11 ኮርስ ን 33 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝሓለፈ ቀዳም ተመሪቆም።ኣብ’ቲ ናይ መመረቅታ ስነ-ስርዓት መደረ ዘስመዐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡”ሸቶናን ዕላማናን ኣብዚ ፈታኒ እዋን ኮሮና ቫይረስን ካልኦት ለበዳታትን ምሉእ ብምሉእ ንምቁጽጻር፡ኩሉ ጎናዊ ዓቕምናን ብቕዓትናን ናብ ኣዝዩ ዘተኣማምን ጽፍሒ ሓፍ ምባል’ዩ” ኢሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B5%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%8D%E1%88%A8%E1%8B%B0-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5547126.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ፥ `መኣዲ ሃገር` ዝተባህለ ሰፊሕ ፕሮጀክት ድለባ ገንዘብ ጀሚሩ","content":" ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ፥ `መኣዲ ሃገር` ዝተባህለ ሰፊሕ ፕሮጀክት ድለባ ገንዘብ ከፊቱ። እቲ ኣብ ሰለስተ ከባብታት`ታ ሃገር ዘተኮረ ፕሮጀክት፥ ነታ ሃገር ናብ ሓዲሽ ብልጽግና ንምልዋጥ ዝዓለመ ምዃኑ መንግስታዊ መሓውራት ዜና ጸብጺበን ኣለዋ። እቶም ተመሪጾም ዘለዉ ሰለስተ ከባብታት፥ `ጎርጎራ` ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ `ወንጪ` ኣብ ክልል ኦሮሚያ፥ ከምኡ ድማ `ቆይሻ` ኣብ ክልል ደቡብ`ዮም። ፕሮጀክት `መኣዲ ሃገር` ምስ ኢትዮጵያውያንን ምስ መሻርኽትን ኣብ ውሽጢ ዝቕጽላ ክልተ ኣዋርሕ 3 ቢልየን ብር ከተኣኻኽብ መደብ ከም ዘለዎ ፋና ጠቒሱ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A2%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%88%98%E1%8A%A3%E1%8B%B2-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%88-%E1%88%B0%E1%8D%8A%E1%88%95-%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%80%E1%8A%AD%E1%89%B5-%E1%8B%B5%E1%88%88%E1%89%A3-%E1%8C%88%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%89%A5-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9\/5547073.html"} {"headline":"ኤርትራ : መበል 33 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎትን መበል 11 ዙርያ ተማሃሮ ማእከል ስልጠና ተክኒክን ሳዋን ተመሪቖም","content":"ኤርትራ : መበል 33 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎትን መበል 11 ዙርያ ተማሃሮ ማእከል ስልጠና ተክኒክን ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ሳዋ ኣመሪቓ። ኣብቲ ናይ ምርቓ ስነ-ስርዓት ዝተረኽበ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፥ ምረቓ መበል 33 ዙርያ ኣብ ትሕቲ ዓለማዊ ስግኣት ኮቪድ 19 ምክያዱ ብፍሉይነት ድሕሪ ምጥቃስ ንዝርግሐ ኮሮና ምሉእ ንምሉእ ንምቁጽጻር መንግስቲ በቲ ሒዝዎ ዘሎ ዕቱብ ስራሕ ኣሐይሉ ከም ዝቕጽሎ ምፍላጡ- ሚንስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ`ሎ። ኣብቲ ቦታ ዝተረኽበት ሚንስተር ጥዕና ኣምና ኑርሑሰን ብወገና: መንግስቲ ነቲ ለበዳ ንምቁጽጻር ሒዝዎ ዘሎ ስትራተጂ ንተመረቕቲ ተመሃሮ ምሕባራ ኣቶ የማነ ወሲኹ ጠቒሱ`ሎ። ብኻልእ ወገን 463 ደቂንስትዮ ዝርከብኦም 1,078 ተመሃሮ`ውን ኣብ ሳዋ ማእከል ስልጠና ተክኒክ ኣብዚ ቀዳመ-ሰንበት ምምራቖም ተተሓሒዙ ዝመጻና ዜና ይሕብር። እቶም መበል 11 ዙርያ ተመረቕቲ ማእከል ስልጠና ተክኒክ፥ ብኤለክትሮኒክስ፥ ጽገና ኮምፒተር፡ ኣውቶ መካኒክ ከምኡ መዝሓሊ ማሽናትን ካልእ ሞያን ከምዝተመረቑ እቲ ዜና ይጠቅስ። ዝሓለፈ ዓርቢ`ውን ብሚንስትሪ ጥዕና ዝተዳለወ ኣገባብ ምቁጽጻርን ምክልኻል ኮቪድ 19 ዝሕብርን መንግስቲ ዝኽተሎ ዘሎ ናይ ምክልኻል ስትራተጅን ዘርኢ ኤግዚቪሽን ኣብ ሳዋ ከም ዝተኸፍተ ካብ ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ዝተረኽበ ሓበረታ ኣመልኪቱ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%98%E1%89%A0%E1%88%8D-33-%E1%8B%99%E1%88%AD%E1%8B%AB-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%89%A0%E1%88%8D-11-%E1%8B%99%E1%88%AD%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%83%E1%88%AE-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A0%E1%8A%93-%E1%89%B0%E1%8A%AD%E1%8A%92%E1%8A%AD%E1%8A%95-%E1%88%B3%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%AA%E1%89%96%E1%88%9D\/5546854.html"} {"headline":"መንግስቲ ክልል ትግራይ 1,568 እሱራት ብይቕሬታ ክፍትሑ ወሲኑ","content":"መንግስቲ ክልል ትግራይ 1,568 እሱራት ብይቕሬታ ክፍትሑ ወሲኑ:: ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን እቲ ክልል እቶም እሱራት ለበዳ ቫይረስ ኮረና ንምክልኻል ተባሂሉ ከምዝተፈትሑ ሓቢሩ:: ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ ኣይተ ተኪኡ መተኩ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ትማሊ 07 ነሓሰ 2012 ዓ.ም. ኮማንድ ፖስት ምክልኻል ቫይረስ ኮረና ትግራይ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ መምርሒ ይቕሬታ ዘማልኡ 1,568 እሱራት ብይቅርታ ክፍትሑ ከምዝተወሰነ ገሊፆም:: ኣይተ ተኪኡ ከምዝሓበርዎ ለበዳ ቫይረስ ኮረና ንምክልኻል ተባሂሉ: ርእሶም ክኢሎም ነቲ ህንፀት ክውድኡ ዘይኽእሉ ምዃኖም ብሰብሞያ ሕክምና ዝተረጋገፀሎም ንኮረና ብቐሊሉ ክቃልዑ ዝኽእሉ ሕዱር ሕማም ዘለዉዎምን ክፍትሑ ምውሳኑ ሓቢሮም :: ብተወሳኺ ድማ ምስ ዝበደልዎ ኣካል ዕርቂ ዝፈፀሙን ባህርያዊ ለውጢ ዘምፅኡ ተአረምቲ ሕጊ ክፍትሑ ከምዝተወሰነሎም ተሓቢሩ::ኣይተ ተኪኡ ይቕሬታ ዝተገበረሎም እሱራት ንህዝቦም ኣብ ልምዓት ዓዶም ብምስታፍ ክክሕሱ ይግባእ ኢሎም:: ምስ ዝበድልዎም ሰባት ዕርቂ ዘይፈፀሙን ብኣገዲድኻ ምድፋር ዝተኣሰሩን ግን ኣብቲ ይቕሬታ ኣይተኻተቱን:: እቶም እሱራት ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ተፈቲሖም ናብ ስድርኦም ክሕወሱ ምኻኖም ተሓቢሩ ኣሎ:: ቅድሚ ሐዚ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ኣብ ክልል ትግራይ ለበዳ ቫይረስ ኮረና ንምክልኻል ብዝብል ን1,601 ተአረምቲ ሕጊ ብይቕሬታ ክፍትሑ ተገይሩ ነይሩ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-1568-%E1%8A%A5%E1%88%B1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%AD%E1%89%95%E1%88%AC%E1%89%B3-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%91-%E1%8B%88%E1%88%B2%E1%8A%91\/5544143.html"} {"headline":"ኣብ ኢንዱስትሪ ፓርክ ሃዋሳ ልዕሊ 170 ሰራሕተኛታት ብቫይረስ ኮሮና ከም ዝተታሕዙ ተሓቢሩ","content":"ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ተባሂሉ ዝተኣወጀ ህጹጽ ኣዋጅ ኣብ ክልል ሲዳም ብግቡእ ብዘይምፍጻሙ፥ እቲ ቫይረስ ኣብቲ ክልል ብዝለዓለ ደረጃ ይውስኽ ከምዘሎ፡ ናይቲ ክልል ኢንስቲቱት ጥዕና ኣፍሊጡ። ኣብ ሃዋሳ ኢንዱስትሪ ፓርክ`ውን ልዕሊ 170 ሰራሕተኛታት ብቫይረስ ኮሮና ከም ዝተታሕዙ ዳይሬክተር`ቲ ኢንስቲቱት ዶ\/ር ማቴ መንገሻ ሓቢሩ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%8A%95%E1%8B%B1%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%8A%AD-%E1%88%83%E1%8B%8B%E1%88%B3-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-170-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8A%A8%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%95%E1%8B%99-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5542441.html"} {"headline":"ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ አባላት ባላንደራስ ብዓቓቢ ሕጊ ዝቐረቡ ምስክራት ከምዘይሰምዑ ሓቢሮም","content":"ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤት-ፍርዲ ቀሪቦም ዝነበሩ ኣባላት ባላንደራስ ፓርቲ በዓል እስክንድር ነጋ ብዝተጠርጠርሉ ገበን ኣብ ቀዳማይ መርመራ ናይ ዓቃቢ-ሕጊ ምስክራት ኣይንሰምዕን ኢሎም። ንጠበቓታቶም`ውን ኣሰናቢቶሞም። ቤት ፍርዲ ብወገኑ መንግስቲ ንክሱሳት ተኸላኻሊ ጠበቓ ጌርሎም ንጽባሕ ንክቐርቡ ትእዛዝ ሂቡ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%B5-%E1%89%A5%E1%8B%93%E1%89%93%E1%89%A2-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%88%A8%E1%89%A1-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%B0%E1%88%9D%E1%8B%91-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/5542426.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝተላዕለ ግጭት 9,000 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት'ታ ሃገር ገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ`ቲ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተራእየ ግጭት፡ ልዕሊ 9,000 ሰባት ከምዝተአሰሩ፥ ብመንግስቲ ዝመሓደር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሊጡ። ብጽገናዊ ለውጢ ክሙገስ ዝጸንሐ መንግስቲ ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ፥ ናብቲ ዝሓለፈ ብሓይሊ ዘመሓድር ዝነበረ ስርዓት ከይምለስ ዝብል ስግኣት `ውን ኣበጊሱ`ሎ። ኣብታ ካብ መንጎ ዝያዳ ረገጽቲ ዝብሃላ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ዝነበረት ኢትዮጵያ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ከምጽእ ቃል-ዝኣተወ ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ፥ ነቲ ሓሓሊፉ ዝትኮስ ዘሎ ዓሌታዊ ብሄረተኝነት ንምቁጽጻር ኣብ ምቅላስ ይርከብ። ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 2021 ፈላማይ ናጻን ዲሞክራሲያውን ምርጫ ንምክያድ`ውን ቃል-ኣትዩ`ሎ። ብዛዕባ`ዚ ዳሕራዋይ ማእሰርቲ ዝተሓተተት ወሃቢት ቃል ቀ\/ሚ ኣቢይ ዝኾነት ቢል-ለነ ስዩም፡ ቀዳማይ ሓላፍነት መንግስቲ፥ ግዝኣተ- ሕጊ መታን ዕድል ክረክብ፥ ጸጥታን ርግኣትን ምርግጋጽ`ዩ ኢላ። ነቐፍቲ ግን ነቲ ዝሓለፈ ሕማቕ ከም ዘዘኻክሮም ይገልጹ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-9-000-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5542422.html"} {"headline":"ኣብ ትግራይ ብዝካየድ ምርጫ ኣብ መንጎ እቲ ክልልን ፌደራልን ወጥሪ ከምዝነሃረ ተሓቢሩ","content":"ክሳብ 2018 ኣ\\ፈ ንዓሰርተታት ዓመታት ነታ ሃገር ዝገዘአ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ \\ህወሓት\\ ናይ ባዕሉ ክልላዊ ምርጫ ንምክያድ ወሲኑ ኣሎ።ናይ ፌደራል መንግስቲ ብወገኑ እዚ ንሕገ መንግስቲ ዝጥሕስ እዩ ኢሉ ኣሎ።መንግስቲ ፌደራል ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ብምጥቓስ ኣብዚ ዓመት ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ ምርጫ ምስ ኣናውሖ እዩ ህወሓት ምርጫ ከምዝካየደ ዝኣወጀ።ክልል ትግራይ ወታደራዊ ምርኢት ምስ ምግባራን ምርጫ ካብ ምግባር ዝኽልክለኒ የለን ምስ ምባላን እቲ ምስሕሓብ ስግኣት ግጭት ክውስኽ ገይሩ ኣሎ። ቅትለት ሙዚቀኛን ኣክቲቪስትን ጅግና ንኢትዮጵያዊያንመናእሰይ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ልዕሊ 230 ሰባት ምስተቐተሉ ድሕሪ ሰሙናት ኣብ ኢትዮጵያ ‘’ስረይ ስረኻ’’ ረፅሚ ናይ ምፍጣር ተኽእሎ ዘለዎ ዛዕባ ይቀላቐል ኣሎ። ብቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ዝምራሕ ጥምረት ገዛኢ ፓርቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተፈለየ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ \\ህወሓት\\ መንግስቲ ንሃገራዊ ምርጫ ብዘይደረትብምንዋሕ ስልጣን ይሕዝ ኣሎ ክብል ይኸስስ።ፌደራል መንግስቲ ብወገኑ ለበዳ ኮሮናቫይረስይጋፋሕ ኣብዘለሉ ምርጫ ምክያድ ዘይሓላፍነታዊ እዩ ይብል። ክልቲኦም ወገናት እቲ ሓደ ነቲ ካሊእ ብጥሕሰት ሕጊ ይካሰሱ ስለዘለው እቲ ውጥጥ ምትሕልላኽ ሕጊ ፈጢሩ ይርከብ።መንግስትን ሃገራዊ ፓርላማን ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ዘይተሓወሶ ዝካየድ ምርጫ ዘይሕጋዊ እዩ ክብሉ ከለው ክልል ትግራይ ብወገኑ ናይቲ ሕገ መንግስቲ ዓንቀፃት ብምጥቓስ መሰላት ዓርሰ ውሳነይ ሕሉው እዩ ይብል። ኣብ 2018 ኣ\\ፈ ስልጣን ካብ ዝሕዙ እቶም ቀዳማይ ምንስቴር ንቁጠባ እታ ሃገር ነፃ ንምግባርን ሓዱሽዘመነ ዴሞክራሲ ንምምፃእን ቃል ኣትዮም እዮም። ይኹን እምበር ርሱን መንነት ካብ ዝንፀባረቐሎም ከባቢታት ንዝመፅእ ሕቶታት ዓርሰ ምሕደራ ንምቕናስ ክቃለሱ ፀኒሖም ኣለው። ከምዚ ክብል ንቪኦኤ ይገልፅ።‘’ምርጫ በብሓሙሽተ ዓመት ክካየድ ኣለዎ፤ኣብ ክልቲኡ፤ ብደረጃ ሃገር ይኹን ንክልላውን ከባቢያዊን ኣብያተ ምኽሪ ምርጫ ክካየድ ኣለዎ’’ ዝበለ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ፍስሃ ፍስሃ ሃብተፅዮን እቲ ሕገ መንግስቲ ከምኡ እዩ ብምባል ይገልፆ። ‘’ፌደራል መንግስቲ ግን ነቲ ምርጫ ንምንዋሕን ብዘይ ገደብ ኣብ ስልጣን ንምፅናሕን ከም ምስምስ ስግኣትን ለበዳን ኮሮናቫይረስ እዩ ተጠቒሙ’’ይብል ብምዝዓብ። እቲ ክልል ምርጫ ናይ ምክያድ ትልሙ ብምቕፃሉ ወታደርዊ ስጉምቲ ዝወሰዶ እንተኾይኑ ዝተሓተተ ፍስሃ እቲ ክልል ንርእሱ ንምክልኻል ዝኣክል ኣፅዋር ኣለዎ ኢሉ። ንቪኦኤ መግለፂ ዝሃበ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ብክልላዊ መንግስቲ ትግራይይውሰዱ ብዘለው ‘’ዘይሕገ መንግስታዊን በይናዊን ስጉምቲታት ስኽፍታታቶም ገሊፆም እዮም’’ይብል።ፀረ ሕገ መንግስቲ ንዝግበሩ ምንቅስቓሳት ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ ስጉምትታት ከምዝውሰዱ እውን ገሊፆም እዮም ይብል።ነዚ ኣብዝገለፅሉ እዋን መንግስቲ ‘’ኣብ ልዕሊ ነገረኛታት ፋሕጠርቲ ፅልኢ ናይ ክልል መንግስታት ወታደራዊ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ድልየት ከምዘይብሉ’’ እውን ኣስሚረምሉ እዮም። ማርሸት መሓመድ ሃምዛ ኣብ ጄኔቭ ኣካዳሚ ዓለምለኸ ሰባዊ ሕጊን ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ድህረ ምረቓ ምፅናዕቲ የካይድ ዘሎ ተንታኒ እዩ።ሃምዛ ክልቲኦም ወገናት ብሕጊ ይሰርሑ የለውን ምስበለ ፖለቲካዊ ፍታሕ ከናዲዩይፅውዕ። ክልቲኦም መንጋስታት እቲ ሓደ ነቲ ኻሊእ ከም ገሃሲ ሕገ መንግስቲ ክርኣይ ነንሕድ ሕዶም ነቲ ሕጊ ከም መጥቅዒ ክጥቀምሉ እዮም ዝፍትኑ ዘለው ይብል ሃምዛ። ‘’ኣብ ኣብይታ ግን ምርጫ ብዝምልከት ክልቲኦም ሕገ መንግስታዊ መሰረት የብሎምን።ከም ከማይ ኽልቲኦም ወገናት ኣብ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሎም ተኸባቢሮም ክዘራርቡ ኣለዎም’’ ይብል። ኣብ ትግራይ ትማሊ ረቡዕ ወፍሪ ምርጫ ጀሚሩ ኣሎ።ድምፂ ዝወሃበሉ ዕለት ግን ብዕሊ ኣይተገለፀን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/tentions-rise-beteween-ethiopia-former-leaders-government\/5542347.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ : ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ ዝተዛረብዎ ንዝተባህለ ርእይቶ ነቒፎም","content":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ቅድሚ ሸሞንተ ወርሒ ዝተዛረብዎ፣ ግጉይን ክግምገም ከምዝኾነን አብ ኣኼባ ብልጽግና ፓርቲ ክልል ኣምሓራ ምግላጾም ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ቀ\/ሚ ኣፍሊጦም። ‘ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ቅድሚ ሸሞንተ አዋርሕ ዝተዛረብዎ፣ ግጉይን ክግምገም ዘለዎን ምኳኑ’ ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ አብ ኣኼባ ፓርቲ ብልጽግና ክልል ኣምሓራ ምግላጾም ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ቀ\/ሚ አቶ ንጉሱ ጥላሁን ጠቂሶም። እቶም ቀ\/ሚ ናብ ባህርዳር ዝኣተውሉ ጊዜ ምስ ምዝዛም ንሰለስተ መዓልታት ክኻየድ ዝቐነየ ኣኼባ ፓርቲ ብልጽግና ክልል ኣምሓራ ተገጣጢሙ ኣሎ። አቶ ንጉሱ ጥላሁን ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ መብርሂ ምሃቦም ውን ሓቢሮም ኣለው። እቲ መብርሂ ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ኣቶ ሽመልስ አብዲሳ፣ ቅድሚ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኢሎምዎ ዝተባሃለን ብማሕበራዊ ሚድያታት ዝተወዓወዐን ፖለቲካዊ ርእይቶ ማእከል ዝገበረ እዩ። ኣቶ ንጉሱ ወሲኾም ‘ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ንክቡር ቀ\/ሚ ከምዝተለዓለሎም፣ እቶም ቀ\/ሚ ድማ ቅኑዕ ከምዘይኮነ እቲ ዝተፈነወ መልእኽቲ ብትሕዝትኡን ብውጽኢቱን ቅኑዕ ዘይምዃኑ፣ ክእረምን ክግምገምን ከምዝግባእ ንተኣከብቲ ኣረጋጊጾም እዮም’ ኢሎም። እቲ ዝተባሃለ ካብ ኢትዮጵያ ንላዕሊ ኣይኮነን ዝበሉ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ንኢትዮጵያን ኢትዮጵያዊያንን እናሃነጽና ኣብ ውሽጥና ንዝላዓሉ ኣበራት እናአረምና ክንከይድ ኢና ናብ ዝብል ሓባራዊ ምርድዳእ እዩ ተበጺሑ ዘሎ ኢሎም። ድሕሪ ናይ 15 ሰነ ክስተት ንፈለማ ጊዜ ባህርዳር ዝኣተው ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ፣ ንናይ ኣምሓራ ብልጽግና ፓርቲ መብርሂ ሂቦም፣ ኣብ ፕሮግራም መርሃ ግብሪ ምትካል ፈልሲ’ውን ተሳቲፎም ምስታፎም ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ከተማ ባህርዳር ሓቢር’ላ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%88%BD%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%B2%E1%88%B3-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%88%A8%E1%89%A5%E1%8B%8E-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%88-%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%90%E1%89%92%E1%8D%8E%E1%88%9D\/5541165.html"} {"headline":"ወፍሪ ምርጫ ክልል ትግራይ ምጅማሩ ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ንዝካየድ ምርጫ ወፍሪ 'ምረፁኒ' ብማዕኸናት ዜና ሎሚ ረቡዕ ተጀሚሩ:: እቲ ጎስጓስ ምርጫ ብምኽንያት ቫይረስኮረና ህዝባዊ ኣኼባታት ዘይካየደሉን ሰላማዊ ሰልፍታት እውን አይህልውዎን ተባሂሉ’ ሎ:: ኣብ ምርጫ ዝሳተፉ ውድባት ፖለቲካ: ብሰለስተ ጣብያታት ቴሌቪዥን: ሰለስተ ኤፍ ኤም ራድዮታትን ሓደ ብሄራዊ ራዲዮ ፕሮግራሞም ምልላይ ጀሚሮም አለዉ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%88%E1%8D%8D%E1%88%AA-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%8C%85%E1%88%9B%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5540792.html"} {"headline":"‘ትግራይ ህውከት ክፈጥሩ ንዝፍትኑ ባይታ ኣይትፈቅድን’ ወሃቢት ቃል-መንግስቲ ክልል ትግራይ ወ\/ሮ ሊያ ካሳ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ፥ መንእሰያት ኣባላት ፈንቅል እናተባህሉ ይእሰሩ`ለዉ ንዝብል ክሲ ክትምልስ፥ ብድምጺ ኣሜሪካ ዝተሓተተት ሓላፊት ኮምኒኬሽን መንግስቲ`ቲ ኽልል ወ\/ሮ ሊያ ካሳ፥ ከምኡ ዝብሃል ጉጅለ ኣብ ትግራይ ባይታ የብሉን፥ ዝኾነ ህውከት ክፈጥር ዝፈተነ ግን ህዝቢ ትግራይ ክጻወሮ ኣይክእልን`ዩ ኢላ። ካልኣይ ክፋል ቃለ መጠይቕ ወ\/ሮ ሊያ ካሳ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%A9-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%8A%91-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B3-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%89%B5%E1%8D%88%E1%89%85%E1%8B%B5%E1%8A%95-%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A2%E1%89%B5-%E1%89%83%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%88-%E1%88%AE-%E1%88%8A%E1%8B%AB-%E1%8A%AB%E1%88%B3\/5540663.html"} {"headline":"ግብረመልሲ መንግስቲ ክልል ትግራይ ንክስታት ክልል ደቡብ","content":"መንግስቲ ደቡብ ክልል ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ጉዳይ ምእሳር አባላት ኣመራርሓ ዞባ ወላይታ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ እቶም ዝተኣሰሩ ኣመራርሓ ምስ ህወሓትን ኦኔግ ሸኔን ብምትሕብባር ውዲትን ጥፍኣት ይፍሕሱ ነይሮም ኢሉ:: ነዚ ብዝምልከት ምክትል ሓላፊ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ኣይተ ሓዱሽ ካሱ: \"ሕቶ ህዝቢ ምምላስ ምስኣበዮም ኣንፈቱ ንምቕያር ዝገብርዎ ፃዕሪ እዩ: ህዝቢ ግና ስለዝፈለጦም ከታልልዎ ኣይኽእሉን\" ክብሉ ግብረ መልሲ ሂቦም ኣለው:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D\/5539262.html"} {"headline":"ኤርትራ:ኣብ ዞባታት ደቡብን ጋሽ ባርካን ዝወቕዐ ሓያል ዝናብ ምዕልቕላቕ ውሕጅ ምስዓቡ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ዝተራእየ ብርቱዕ ዝናብ ኣብ ንብረት፡ጥሪትን ዘራእትን ጉድኣት ከምዘውረደ ተገሊጹ ኣብ ዞባታት ደቡብን ጋሽ ባርካን ብዝወቕዐ ሓያል ዝናብ ዝሰዓበ ምዕልቕላቕ ዉሕጅ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ፡ ዘራእትን ጥሪትን ጉድኣት ከምዘውረደ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ጸብጺበን።በቲ ሓደጋ ሓደ ሰብ ብዉሕጅ ከምተወስደን ቢንቶታት’ውን ከምዝዓነዉን ተሓቢሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9E%E1%89%A3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%8C%8B%E1%88%BD-%E1%89%A3%E1%88%AD%E1%8A%AB%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%89%95%E1%8B%90-%E1%88%93%E1%8B%AB%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%8D%E1%89%95%E1%88%8B%E1%89%95-%E1%8B%8D%E1%88%95%E1%8C%85-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8B%93%E1%89%A1-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5539255.html"} {"headline":"ኣብ ወላይታ ብዝተፈጥረ ግጭት 5 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ","content":"ኣብ ወላይታ ብዝተፈጥረ ግጭት 5 ሰባት ከምዝሞቱን ብዝሖም ዘይተፈልጠ ካልኦት ከምዝተጎድኡን ምክትል ምምሕዳር’ቲ ክልል ኣቶ ርስቱ ይርዳው ገሊጾም። ኣቶ ርስቱ ወሲኾም ‘ሃገር ንምፍራስ ምስ ዝሰርሑ ኣካላት ተመሳጢሮም’ ዝተባሃሉ ንኣመራርሓ’ቲ ዞባ ወሲኹ 26 ሰባት ከምዝተኣሰሩ’ውን ጠቂሶም። ‘መንግስቲ ንሕቶ ህዝቢ ሰላማዊን ሕገ መንግስታዊን መልሲ ንምሃብ ፍሉይ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ከሎ ዝተኸሰተ ነገር ከምዘሕዘኖም’ ንናይቲ ክልል ሚድያ ገሊጾም። ነበርቲ’ቲ ዞባ ትማሊ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፣ ‘ዝተኣሰሩ መናእሰያትን መራሕትናን ይፈትሑ’ ኢሎም ዝተላዓለ ተቃውሞ ስዒቡ ምስ ሓይሊ ጸጥታ ግጭት ተፈጢሩ ብርክት ዝበሉ ሰባት ተጎዲኦም ኣስታት ዓሰርተ ሰባት ከምዝተቀትሉን ምግላጾም ይዝከር። እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ክልላዊ ምምሕዳር ደቡብ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ ምእሳር ኣመራርሓ ዞባ ወላይታ አመልኪቱ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ‘እቶም ዝተኣሰሩ ኣባላት ኣመራርሓ፣ ምስ ህወሓትን ኦኔግ-ሸኔን ተሓባቢሮም ውዲት ጥፍኣት ይፍሕሱ ዝነበሩ’ዮም’ ከምዝበለ ተፈሊጡ። ንክልል ትግራይ የመሓድር ዘሎ ህወሓት ብወገኑ ‘ሕቶ ህዝቢ ምምላስ ምስ ኣበዮም ኣንፈቱ ንምቕያር ዝገብርዎ ፃዕሪ እዩ፣ ህዝቢ ግና ስለዝፈለጦም ከታልልዎ ኣይኽእሉን’ ክብል መልሲ ሂቡ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5539518.html"} {"headline":"አዲስ አበባ: ኣብ ቐይዲ ዝርከቡ 5 አባላት ህውሓት ቤት ፍርዲ ቀሪቦም","content":"‘ንድሕነት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቆም፣ መንግስታዊ ሚስጢር ንናይ ወጻኢ ጉጅለ ራዕዲ ኣሕሊፎም ሂቦም፣ ዕግርግርን ህውከትን ንክላዓል ገይሮምን ብዝብል ክሲ ተጠርጢሮም ኣብ ቐይዲ ዝኣተው አባላት ኣመራርሓ ዝርከዎም ሓሙሽተ አባላት ህውሓት ሎሚ ሰሉስ አብ ቤት ፍርዲ አዲስ አበባ ቀሪቦም። እቶም ተጠርጠርቲ፣ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ጨንፈር አዲስ አበባ ኣቶ ተወልደ ገብረጻዲቅ፣ ዳይረክተር ሕጊን ፍትሒን ኣቶ ተስፋኣለም ይሕደጎ፣ ሓላፊ ቢሮ ድሕነት ጨንፈር ኣቃቂን ቃሊቲን ኣቶ አጽባሃ አለማየሁን ምስ ካልኦት ክልተ ሰባት እዮም። ፖሊስ፣ ንናይታ ሃገር ሕገ መንግስቲ ብሓይሊ ንምፍራስ ምስ ካልኦት ጉጅለታት ሽብር ተሓባቢሮም ሰሪሖም ተባሂሎም ንዝጠርጠሮም መርመራ ይገብረሎም ከምዘሎ ጠቂሱ: ተወሳኺ 14 መዓልታት ንክፍቀደሉ ንቤት ፍርዲ ሓቲቱ። ጠበቃታት እቶም ተጠርጠርቲ ግና ‘ዓማዊሎም እንደገና ተታሒዞም ምቅራቦም ግቡእ ኣይኮነን፣ ተወሳኺ ጊዜ ንፖሊስ ክፍቀድ የብሉን፣ ተጠርጠርቲ ብዋሕስ ክፍትሑ ኣለዎም’ ዝብል ተቃውሞ ኣቅሪቦም። ቤት ፍርዲ ድሕሪ ዝቀረበሉ ሙግት፣ ትእዛዝ ንምሃብ ንድሕሪ 6 መዓልታት ቆጸራ ሂቡ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%90%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-5-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%89%80%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D-\/5539509.html"} {"headline":"`ፈንቅል ምንቅስቓስ መንእሰይ ትግራይ` :ኣብ ክልል ትግራይ ህዝባዊ እምቢተኝነት ብምልዕዓል ለውጢ ከምጽእ ከም ዝተበገሰ ይገልጽ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ህዝባዊ እምቢተኝነት ብምልዕዓል ለውጢ ከምጽእ ዝተበገሰ “ፈንቅል ምንቅስቓስ መንእሰያት ትግራይ” ይገልጽ። ኣብዚ እዋን`ዚ ኣብ ክልል ትግራይ ጭቆናን ድኽነትን ልዕሊ ኹሉ እዋን ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ከምዝርከብ ዝገልጽ ምንቅስቓስ ፈንቅል፥ ኣብ ፈቐዶ ወረዳታት ኣባላት ፍንቅል እናተባህሉ መናእሰይ ይእሰሩ ከምዘለዉን መስዋእቲ ይኸፍሉ ከምዘለዉን ይጠቅስ። ሰበ-ስልጣን ህወሓት ግን ፈንቅል ኣብ ትግራይ ባይታ ዘይብሉ ናይ ቀይዲ-በተኻት ምንቅስቓስ ከም ዝኾነ ይገልጹ። ኣቦ-መንበር ፈንቅል መምህር የማነ ንጉሰን ምኽትሉ ኣቶ ሚኪ ተስፋይን ዝሃብዎ ቃለ-መጠይቕ ቀዳማይ ክፋሉ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%88%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%B5%E1%89%93%E1%88%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AD-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%8A%A5%E1%88%9D%E1%89%A2%E1%89%B0%E1%8A%9D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%88%88%E1%8B%8D%E1%8C%A2-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8C%BD%E1%8A%A5-%E1%8A%A8%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A0%E1%8C%88%E1%88%B0-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%BD\/5539250.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ቁጽሪ ብቫይረስኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት 1137 ምብጽሑ ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ቁጽሪ ብቫይረስኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት 1137 ምብጽሑ ተገሊጹ:: ካብ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ዝተረኸበ ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ ሓደ ሓኪም ሓዊሱ ብቫይረስኮሮና ህይወት 6 ሰባት ሓሊፉ ኣሎ: ኣብ ክልል ትግራይ ዛጊድ ልዕሊ 26,600 ሰባት ምርመራ ቫይረስኮረና ተኻይድሎም 1137 እቲ ቫይረስ ከምዝተረኸቦም ቢሮ ሓለዋ ጥዕና እቲ ክልል ገሊፁ ኣሎ:: በቲ ቫይረስ ህይወቶም ካብ ዝሓለፈ 6 ሰባት: ሓደ ካብኦም ወዲ 42 ዓመት ብዓል ሞያ ሕክምና ዶክተር ፍስሃዬ ኣለምሰገድ ምኻኑ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ገሊፁ ኣሎ:: ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም መምህር ጥዕና ሕብረተሰብ ዝነበረ ዶክተር ፍስሃየ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምእታዉ፡ ንቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣብ ምክልኻል እቲ ለበዳ ልዑል ኣበርክቶ ክገብር ዝፀንሐ ሓኪም'ዩ:: ኣብ ክልል ትግራይ ምስፍሕፋሕ እቲ ቫይረስ ንምቁፅፃር ኣብ ኩለን ከተማታት እቲ ክልል መጎልበቢ ኣፍን ኣፍንጫ ማስክ ምጥቃም ግድን ምኻኑ ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶክተር ሓጎስ ጎድፋይ ሓቢሮም:: ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ኣብቲ ክልል ልዕሊ 20 ሽሕ ሰባት ምርመራ ከምዝካየድ እውን ሓቢሮም:: ኣብ ትግራይ ካብቶም በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ እቶም 60 ሚእታዊት ኣብ ከተማ መቐለ ምኻኑ ዝሓበረ እቲ ቢሮ ቫይረስኮረና ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዘስግእ ኩነታት ምህላዉ ኣፍሊጡ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%89%A5%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%95%E1%8B%99-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-1137-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%88%91-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5538004.html"} {"headline":"ብልፅግና ፓርቲ ክልል ኦሮምያ ኣቶ ለማ መገርሳ ሓዊሱ ንሰለስተ ኣባላቱ ካብ ኣባልነት ማእከላይ ኮሚቴ ብግዚያውነት ምእጋዱ ገሊፁ","content":"ብልፅግና ፓርቲ ክልል ኦሮምያ ኣቶ ለማ መገርሳ ሓዊሱ ንሰለስተ ኣባላቱ ካብ ኣባልነት ማዕኸላይ ኮሚቴነት ብግዚያውነት ምእጋዱ ገሊፁ። ልዕልነት ሕጊ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ ግብራዊ ክኸውን ምስራሕ እውን ሓደ ዓብይ ውሳነ ምዃኑ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ናይቲ ውድብ ኣቶ ታየ ደንድኣ ኣፍሊጦም። ካብ ስልጣኖም ተኣጊዶም ናይ ዝተባህሉ ውልቀሰባት ርእይቶ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይተዓወትን።ኣብ ልዕሊ ህወሓት ንዝቐረብ ተደጋጋሚ ክሲ ሓላፊት ጉዳያት ኮሚንኬሽን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ከምዚ ዝበለ ክሲ ዘቕርቡ ንክልሎም ከመሓድሩ ዘይኽእሉ ኣካልት ዝህብዎ ምስምስ እዩ ክብላ ኣብ ዝሓለፈ መልሲ ምሃበን ይዝከር ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%8D%85%E1%8C%8D%E1%8A%93-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%88%88%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%8C%88%E1%88%AD%E1%88%B3-%E1%88%93%E1%8B%8A%E1%88%B1-%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B1-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%9B%E1%8B%95%E1%8A%B8%E1%88%8B%E1%8B%AD-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B4-%E1%89%A5%E1%8C%8D%E1%8B%9A%E1%8B%AB%E1%8B%8D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%8C%8B%E1%8B%B1-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8D%81\/5537984.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ አባላት መሪሕነት ዞባ ወላይታ ሓዊሱ 25 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታው ተገሊጹ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህወሓትን ኦነግን ተመሳጢሮም ሃገር ንምፍራስ ይሰርሑ ኣለው ዝበሎም አባላት መሪሕነት ዞባ ወላይታ ሓዊሱ 25 ሰባት ኣብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታው ክልል ደቡብ ኣፍሊጡ። ነዚ ስዒቡ ኣብ ዋና ከተማ ናይቲ ዞባ ሶዶን ቦዲትን ኣብ መንጎ ሓይልታት ፀጥታን መናእሰይ ብዝተፈጠረ ግጭት ኣስታት 10 ሰባት ከምዝሞቱ ናይ መሰኻኽር ዓይኒ ንንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም። ነበርቲ ናይተን ከማታት ሓይልታት ምክልኻል ነተን ከተማታት ከምዝተቆፃፀሩወን ወለይታ ሰዶ ምስ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘራኽቡ ጎደናታት ካብ ትማሊ ምሸት ጀሚሩ ከምዝዓፀወን ነበርቲ ሓቢሮም ኣለው። ሓላፊ ሰላምን ፀጥታን ክልል ደቡብ ኣቶ ኣለማየሁ ባውዲ ነቲ ካባቢ የረጋግኡ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሓይልታት ፀጥታ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣብ ልዕሊ ዝፈተኑ ሰለስተ መናእሰይ ብዝተተኮሶም ጥይት ከምዝተቐትሉ ሓቢሮም ኣለው። ንሶም ወሲኾም ናይ ህዝቢ ሕቶ ንምዕፋን ዝግበር ፃዕሪ እዩ ተባሂሉ ኣብ ልዕሊ መንግስቲንዝቐርብ ክሲ ብምንፃግ ንሕቶ ህዝቢ ጠሊፎም ነቲ ዞባ ንምህዋክን ሰላም ንምኽላእን ዝደልዩ ኣካላት ንምፍሻል ዝተወስደ ስጉምቲ እዩ ኢሎም ኣለው ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%AA%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%AD%E1%89%B3-%E1%88%93%E1%8B%8A%E1%88%B1-25-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5537976.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ: ምስ ሓላፊት ኮሚኒኬሽን ክልል ትግራይ ወ\/ሮ ሊያ ካሳ","content":"ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ፥ ኣብ ምርጫ ብዝሒ ድምጺ ንዘይረኽቡ ውዱባት መናብር ዝህብ ክልላዊ ሕገ-መንግስቲ ከም ዘመሓየሸ ኣፍሊጡ። ንድምጺ ኣመሪካ ዝተዛረበት ሓላፊት ኮሚኒኬሽን ክልል ትግራይ ወ\/ሮ ሊያ ካሳ፡ ንኽብሪ`ቶም ደሞክራሲያዊ ተሳትፎ ዝገበሩ ዜጋታት ተባሂሉ፥ ነቶም ዝመረጽዎም፥ ግን ከኣ ዘይሰዓሩ`ውን፥ ዝተወሰነ መናብር ተሓዚእሎም ከምዘሎ ኣፍሊጣ። ቀዳማይ ክፋል ቃለ-መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8A%E1%89%B5-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%8A%AC%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%88-%E1%88%AE-%E1%88%8A%E1%8B%AB-%E1%8A%AB%E1%88%B3\/5535148.html"} {"headline":"ቤት ምኽሪ ክልላዊ መንግስቲ ደቡብ ልዕልና ሕጊ ኽክበር: ድሕነት ዜጋታት ክረጋገጽ ጸዊዑ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ቤት ምኽሪ ክልላዊ መንግስቲ ደቡብ ናይቲ ክልል መንግስቲ ልዕልነት ሕጊ ብምኽባር ድሕነት ህዝቢ ከረጋግፅ ኣተሓሳሲቡ። ሎሚ ዝጀመረ ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ናይቲ ክልል ዝተሳተፉ ኣባላት ቤት ምኽሪ መንግስቲ ናይ ዜጋታት ብሰላም ናይ ምንባርን ሃፍቲ ናይ ምጥራይን መሰሎም የኽብር ከምዘየለን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምክልኻል እውን ድኽመት ከምዘለዎን ነቒፎም። ኣማሓዳሪ ናይቲ ክልል ኣቶ ርስቱ ይርዳው ናይ ጥፍኣት ሓይሊ ኢሎም ዝፀውዕዎም ኣካላት ሕቶታት ህዝቢ ብምጥቃም ኣብ ናይቲ ክልል ፀጥታ ፀገም ይፈጥሩ ከምዘለውን ናይቲ ክልል መንግስቲ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ይሰርሕ ከምዘሎን ተዛሪቦም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8D%E1%8A%93-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8A%BD%E1%8A%AD%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%A8%E1%8C%8B%E1%8C%88%E1%8C%BD-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%91\/5534893.html"} {"headline":"ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ባይቶ ክልል ትግራይ ንምርጫ ጠሚቱ ዘጽደቖ ምምሕያሽ ከምዘይቕበሎ ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ንዝካየድ ምርጫ \"ገዛኢ ውድብ ካብ ሕጊ ወፃኢ ሃብቲን ንብረትን መንግስቲ ንውድባዊ ስራሓት ምውዓል ደው ከብል ኣለዎ\" ክብል ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ፀዊዑ:: እቲ ውድብ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ትማሊ ብባይቶ ክልል ትግራይ ኣብ ጉዳይ ምርጫ ጠመቱ ዝተመሓየሸ ሕገ መንግስቲ ትግራይ ከምዘይቕበሎ ኣፍሊጡ:: ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ብሄራዊ መሪሕነት እቲ ውድብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ ጠሚቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ምርጫ ፍትሓውን ንኹሉ ዘሳትፍን ክኾን ይግባእ ዝበለ ኮይኑ ገዛኢ ውድብ እቲ ክልል ዝኾነ ህወሓት ኣብ እዋን ምርጫ ካብ ሕጊ ወፃኢ ሃብቲን ንብረትን መንግስቲ ንውድባዊ ስራሓት የውዕል ኣሎ እዚ ድማ ደው ከብል ኣለዎ ክብል ኣተሓሳሲቡ:: ካብ ዴሞክራሲያዊ ኣካይዳ ወፃኢ ንዝካየድ መስርሕ ከምዘይቕበል ዝገለፀ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ምርጫ ዘተዓናቕፍ ኰነ፣ እቲ ከይዲ ምርጫ ናፃ፣ ድምፂ ህዝቢ ብፍትሓዊ ኣግባብ ዝውከለሉን ዴሞክራሲያዊን ንከይዀን ዝሰርሕ ዝዀነ ይዂን ፖለቲካዊ ሓይልን መንግስታዊ ኣካልን፣ ስዒቡ ክፍጠር ንዝኽእል ኲነታት ሙሉእ ሓላፍነት ክወስድን ናይ ታሪኽ ተሓታቲ እዩ ብምባል ኣፍሊጡ:: ሓላፊ ርክብ ወፃእን ውድባት ፖለቲካን ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣይተ ሃይሉ ከበደ: እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ውድብ ህወሓት፡ ነቶም ካልኦት ፖለቲካዊ ውድባት ሓዊሱ ኣብ ከይዲን ሕግን ምርጫ ዘካየዶ ዘተ ተቐቢሉ ኣየተግብርን ኢሎም:: ትማሊ፡ ባይቶ ክልል ትግራይ ኣብ ጉዳይ ምርጫ ጠሚቱ ዘካየዶ ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲ ንፕሮፖጋንዳ እቲ ገዛኢ ውድብ ዝረብሕ እምበር ድምፂ ህዝቢ ብዝግባእ ዋጋ ክህልዎ ዝገብር ኣይኮነን ክብሉ ተዛሪቦም:: እቲ ውድብ ኣብ መግለፂኡ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ዝዘርግን ኣዝዩ ድሑርን ዝበሎ ብሰነድ ዝተሰነየን ሽም ናይ ምፅላም ዘመተ ኣብ ልዕሊ ብሰላማዊ ዝቃለሳ ፖለቲካዊ ውድባት ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብን ትግራይ ይካየድ ኣሎ ብምባል ከሲሱ:: እዚ ከይዲ ፀለመ ዛጊድ ዘይተኣረመ እዩ ብምባል እቲ ገዛኢ ዉድብን ዝምልከቶም መንግስታዊ ትካላትን እዚ ናይ ፀለመ ዘመተ ፍፁም ጌጋን ጐዳኢን እዩ ብምባል ዕላዊ ይቕረታ ንክሕተት ፀዊዑ:: እቲ ውድብ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስርዓት ፌደራሊዝም ካብቲ ሐዚ ዘለዎ ብዝበለፀ ንክልላት ስልጣን ክህብ ይግባእ ኢሉ ከምዘኣምን ብመሰረት እዚ \"ሓዱሽ ውዕል ሓዱሽ ምዕራፍ” ብምባል ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ገሊፁ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B3%E1%88%8D%E1%88%B3%E1%8B%AD-%E1%8B%88%E1%8B%AB%E1%8A%90-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8C%A0%E1%88%9A%E1%89%B1-%E1%8B%98%E1%8C%BD%E1%8B%B0%E1%89%96-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%AB%E1%88%BD-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%95%E1%89%A0%E1%88%8E-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5534878.html"} {"headline":"ቤትፍርዲ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ክልተ ላዕለዎት ኣመራርሓ ዝርከብዎም ሓሙሽተ አባላት ህውሓት ብዋሕስ ክፍትሑ ወሲኑ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ትሕቲቀይዲ ፖሊስ ውዒሎም ዝነበሩ ክልተ ላዕለዎትኣባላት ኣመራርሓ ህወሓት ዝርከቡዎም ሓሙሽተ ተጠርጠርቲ ብዋሕስ ክፍትሑ ቤት ፍርዲ ምውሳኑ ጠበቓ ናይቶም ተኸሰስቲ ኣቶ ታደለ ገብረመድህን ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም። ንሶም ብዛዕባ ናይ ሎሚ ውዕሎ ቤት ፍርዲ ከምዚ ኢሎም። “ተኸሰስቲ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ፍሉይ ዞባ ኣዲስ ኣበባን ኣባል ማእከላዊ ኮሚቴ እቲ ውድብን ኣይተ ተወልደ ገብረፃድቃን፣ ላዕለዋይ ኣባል ኣመራርሓ ህወሓትን ብደረጃ ሚንስትር ድኤታ ምክትል ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርምርን ሕግን ፍትሕን ፌደራል ኣይተ ተስፋኣለም ይሕደጎሓላፊ ድሕነትን ሓበሬታን ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ኣቶ ኣፅብሃ ኣለማየሁን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ዘወርቲ መኪና ዝኾኑ ኣቶ በሪሁን ፅጌን ኣቶ ስምኦን ዘገየን እዮም። ዝተኸሰስሉ ድማ ንናይ ውሽጥን ወፃእን ግብረ ሽበራዊያን ብምሕጋዝ፣ መንግስታዊ ምስጢራዊ ሰነዳት ኣሕሊፎም ብምሃብን ድሕሪ ሞት ሃጫሉ ኣብ ዝነበረ ናዕቢ ኢድ ነይሩዎም ዝብሉ እዮም። ” ቤት ፍርዲ ክፍትሑ እንተወሰነ እውን ክሳብ እዚ ዜና ዝተሰርሐሉ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘይወፁ ጠበቓ ሕጊ ኣቶ ታደለ ገብረመድሂን ወሲኾም ገሊፆም ኣለው። ክሱሳት ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝፀንሑ ይፍለጥ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%91-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%AD%E1%88%93-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%88%93%E1%88%99%E1%88%BD%E1%89%B0-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%8B%E1%88%95%E1%88%B5-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%91-%E1%8B%88%E1%88%B2%E1%8A%91-\/5534859.html"} {"headline":"ዘተ:ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢትዮጵያን መፍትሒኦምንን (3ይ ክፋል)","content":"ማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ቅልውላው ካብ ኣወንታዊ ብኣሉታን ዘይንዓቕ ዓቕሚ ዘለዎ ማሕበራዊ ሚዲያ ለውጢ ንምምፃእን ፅዕንቶ ንምሕዳርን ዘይንዓቕ ኣወንታዊ ታራ ዘለዎ ማሕበራዊ ሚዲያ ብኣንፃሩ ዝተጋነኑን ናይ ሓሶትን ሓበሬታ ብምንዛሕ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዕናዊ ታራይ ይፃወት ኣሎ ይብል ቅድሚ ሎሚ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ኣርክተክቸር ዝነበረ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ሓደ ዓብይ ናይ ኮንስትራክሽን ኩባኒያ ዝሰርሕ ዘሎን ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ብቐረባ ዝከታተልንኣርክቴክት ኤርሚያስ ኣማረ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ማሕበራዊ ሚዲያ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ይዛይድ ኣሎ ኣብ ይብል ብምውሳክ።ሰባት ብዘይፈልጡዎን ኣብዘይውዓልሉን ጉዳይ ብማሕበራዊ ሚዲያ ብሰንኪ ዝንዛሕ ወረ ንመዋእሎም ዘጥረይዎ ንብረት ክዓንው ከምዝተገብረ ወሲኹ ይገልፅ። ማሕበራዊ ሚዲያ ሰባት ነንሕድ ሕዶም ዝመሃርሉ ዓውዲ እዩ ዝበለ ድማ ዶክተር ሓጎስ ኣብርሃ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ቅዱስ ያሬድ ማእኸል መፅናዕታት ብራናን ጥንታዊ ስነፅሑፋት ኢትዮጵያን ዝሰርሐ ኣብ ሕዚ እዋን ንፖስት ዶክተራል ምርምር ኣብ ሃምቡርግ ዩኒቨርስቲ ጀርመን ዝርከብን እዩ። እቲ ዓብይ ፀገም ኮይኑ ዘሎ ናይ ፌስቡክ ከይኮነስ ናይተጠቀምቲ ናይ ኣተሓሳስብ ፀገም እዩ ይብል።ሕምቕ ፅሑፋት ብምጥቃዕ ብዙሕ ሰዓቢ ንምርካብ ዝግበር ፃዕሪ ኣሉታዊ ሳዕቤን ከምዘኸትል ይግለፅ።’’ኣብ በይኑ ተሓቢኡ ኣብ ፌስቡክ ጫፍ ዝወፀአ ዘርኣውነት ዝሰብክ ሰብ እንዳ ሻሂ ኮፍ ኢልካ ክተዛርቦ እንተለኻ ከምኡ ዝበለ ባህሪ ኣየርእን እዚ ድማ እቲ መደረኽ ከም ናይ ሓቃዊ ዓለም ከይኮነስ ከም ናይ ሓሶት ዓለም ስለዝርኢዎ እዩ ዝመስለኒ’’ ይብል ዶክተር ሓጎስ። ኢትዮጵያ ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ፖለቲካዊ ቅልውላው ክትወፅእ እንታይ ክግበር ኣለዎ ዝብል እውን ሪኢቶታቶም ሂቦም ኣለው። ሙሉእ ትሕቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%89%85%E1%88%8D%E1%8B%8D%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%92%E1%8A%A6%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%8A%95-(3%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%8D%8B%E1%88%8D)-\/5533244.html"} {"headline":"ባይቶ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንጉዳይ ምርጫ ዝምልከት ሕገመንግስታዊ ምምሕያሽ ኣካይዱ","content":"ባይቶ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንጉዳይ ምርጫ ዝምልከት ሕገመንግስታዊ ምምሕያሽ ኣካይዱ:: እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ ሓሙስ ህፁፅ ጉባኤ ብምክያድ ስርዓት ምርጫ እቲ ክልል \"ተመዓዳዊ ሓንፈፅ ስርዓት ምርጫ\" ክኸውን ወሲኑ:: እቲ ባይቶ ቁፅሪ ኣባላቱ ካብ 152 ናብ 190 ክዓቢ ድማ ወሲኑ:: ባይቶ ክልል ትግራይ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ሓምሻይ ዘመን ታሽዓይ ህፁፅ ጉባኤኡ ኣብ ምርጫ ጠመተ ዝገብር ንዓንቀጽ 48 ንኡስ ዓንቀፅ ክልተ ሕገመንግስቲ ትግራይ ኣመሓይሹ። ቅድሚ ሐዚ ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ዝነበረ ስርዓት ምርጫ ኣብዝሓ ድምፂ ዝረኸበ ይብል ዝነብረ ናብ \"ተመዓዳዊ ሓንፈፅ ስርዓት ምርጫ\" ክመሓየሽ ተገይሩ:: ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ሕግን ምምሕዳርን እቲ ቤት ምኽሪ ኣይተ ሞገስ ታፈረ እዚ ምምሕያሽ ኣቐዲሙ ኣብ 2009 ዘተ ተኻይዱን ተወሲኑ ዝነበረ እዩ ኢሎም:: ኣብቲ ክልል ዴሞክራሲ ንምዕሟቕን ኩሎም ብህዝቢ ዝወሃቡ ድምፅታት ድማ ዋጋ ክህልዎም ዝገብር ስርዓት ክብሉ ተዛሪቦም::ኣይተ ሞገስ ወሲኾም ሕገ መንግስቲ ክልል ትግራይ ንምምሕያሽ ብመሰረት እቲ ሕገ መንግስቲ ኣብቲ ክልል ዝርከባ 94 ወረዳታትን ከተማታትን ዘትየን ምስ ኣፅደቕኦ ናብ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ቀሪቡ ምፅዳቑ ሓቢሮም:: እቲ ቤት ምኽሪ እቲ ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲ ብሙሉእ ድምፂ ድሕሪ ምፅዳቕ ኣዋጅ ምርጫን ስነ ምግባር ምርጫ እቲ ክልል እውን ኣመሓይሹ እዩ:: ብመሰረት እቲ ምምሕያሽ፡ ኣብ ትግራይ ቅድሚ ሐዚ ዝነበረ 152 በዝሒ ተወከልቲ ኣባላት ባይቶ እቲ ክልል ናብ 190 መናብር ክዓቢ ተገይሩ። እቲ 152 መናብር (80 ሚእታዊት) ብኣብዝሓ ድምፂ ብዝሰዓረ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ውልቀ ተወዳዳሪ ዝተሓዝ እዩ:: እቲ 38 መናብር (20 ሚእታዊት) ድማ፡ እቶም ተወዳደርቲ ፖለቲካዊ ውድባት ካብ ዝተፈላለዩ ጣብያታት ምርጫ ዝረኽብዎ ድምፂ ተኣኪቡ ከከምዝረኸብዎ ዝማቐልዎ ከም ዝኸውን ተገሊጹ። ነቲ 38 መናብር ንምምቓል፤ ውድባት ኣቐዲመን ኣብ ኮምሽን ምርጫ ሰባት ኣመዝጊበን ክፀንሓ እየን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%89%A5%E1%88%84%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%8C%88%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%AB%E1%88%BD-%E1%8A%A3%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/5533126.html"} {"headline":"ክልል ትግራይ ነበርቲ ዓዲቐይሕን ከባቢኣን ሕቶ ወረዳ ምዃን ዝጠልብ ሰልፊ አካይዶም","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ ወጅራት ነበርቲ ዓዲቐይሕን ከባቢኣን ወረዳ ክንኸውን ይግበአና ዝብል ሕቶ ብምሓዝ ሎሚ ረቡዕ ሰልፊ ኣካይዶም:: ነበርቲ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዘቕረብዎ ሕቶ ስለዘይተመለሰ ንካልኣይ እዋን ሰልፊ ምውጽኦም ንድምፂ ኣሜሪካ ተዛሪቦም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%93%E1%8B%B2%E1%89%90%E1%8B%AD%E1%88%95%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%8A%A3%E1%8A%95-%E1%88%95%E1%89%B6-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B3-%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%8C%A0%E1%88%8D%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D-\/5531954.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ ሻሸመኔ መንገድታት ክዕጾን ኣድማ ክካየድን ዝተመሓላለፈ ጻውዒት ምፍሻሉ ነበርቲ ገሊጾም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ መንገድታት ክዕጾን ኣድማ ክካየድን ተመሓላሊፉ ዝተባህለ መጸዋዕታ ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ከምዘይሰርሐ ነበርቲ`ታ ከተማ ን ድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም። ሻሸሜኔ ሰላም ከምዝኾነትን መንገዲ`ውን ከም ዘይተዓጽወ፥ በታ ከተማ ዝሓልፍ ትራስፖርት ከምዘይተቛረጸን ዝገልጹ ነበርቲ፥ እንተኾነ ግን ኣብ በቦ ትኡ ዝንዝሑ ናይ በለካ ለኽዓካ ወረታት ካብ ማሕበራዊ ጸገም ሓሊፉ ኣብ ቁጠባ `ውን ጉድኣት የስዕብ ምህላዉ ሓቢሮም። ክፍሊ ጸጥታ ሻሸመኔ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፥ ህዝቢ`ታ ከተማ ደላዪ ሰላም ከም ምዃኑ መጠን፡ ምስ ክፍሊ ጸጥታ ብምውህሃዱ እቲ ናይ ጸረ-ሰላም ምንቅስቓስ ፈሺሉ`ዩ ኢሉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%BB%E1%88%B8%E1%88%98%E1%8A%94-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8B%95%E1%8C%BE%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8B%B5%E1%88%9B-%E1%8A%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%93%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8D%88-%E1%8C%BB%E1%8B%8D%E1%8B%92%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%88%BB%E1%88%89-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/5531868.html"} {"headline":"ሱሉሳዊ ልዝብ ሰብ ሞያ ቴክኒክ ኣብ ኣመላልኣ ማይ ግድብ ህዳሴ ዳግማይ ምጅማሩ ተሓቢሩ","content":"ኣብ ዙሪያ ኣመላልኣ ማይ ዓብይ ህዳሴ ግድብ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ተቋሪፁ ዝነበረ ልዝብ ሰብ ሞያ ቴክኒክ ሰለስተ ሃገራት ዳግም ተጀሚሩ። ትኹረት ናይቲ ልዝብ ኣብ ስምምዕ ዘይተበፀሑ ነጥብታት ከምዝኸውን ተፈሊጡ ኣሎ። ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ናይቶም ሰብ ሞያ ልዝብ ኣብ ኣመላልኣ ናይቲ ግድብ እዩ ኢሎም ኣለው።ትማሊ ዝጀመረ ልዝብ ሎምን ፅባሕን እውን ከምዝቕፅል ብምሕባር እቶም ክኢላታት ቅድሚ ሎሚ ኣብ ዘይተረዳድኡሎም ነጥብታት ብምትዃር ልዝቦም ዛዚሞም ኣብ መወዳእታ ናብ ሚንስተራት ክሓልፍ እዩ ኢሎም። ኣብቲ ልዝብ ኣሜሪካ ሓዊሱ ካልኦት ኣካላት እውን ብተዓዛቢነት ይሳተፉ ከምዘለውን ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ናይ ምዕዛብ ጊደ እናተለጠጠ ናይ ምርድዳእን ናይ ምቅርራብን ክኸውን ከምዝኽእል እውን ኣምባሳደር ዲና ሓቢሮም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B1%E1%88%89%E1%88%B3%E1%8B%8A-%E1%88%8D%E1%8B%9D%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%9E%E1%8B%AB-%E1%89%B4%E1%8A%AD%E1%8A%92%E1%8A%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%8B%E1%88%8D%E1%8A%A3-%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%8B%B3%E1%8C%8D%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%8C%85%E1%88%9B%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9-\/5530672.html"} {"headline":"ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮምያ ጸገም ምንቅስቓስ መጉዓዝያ ከምዘጋጠመ ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ምንስቅስቓስ መጎዓዚያ ብዘጋጠመ ፀገም ከምዝተሸገሩ ነጋዶን ዘወርቲ መካይንን ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም። ኣብቲ ምንቅስቓስ ዝተሳተፉ ሰባት ከምዝገለፁዎ መንግስቲ ኣብታ ሃገር ይርአ ንዘሎ ፖለቲካዊ ሽግር መፍትሒ ክህብ ንምሕታት እዩ ይብሉ።ኣብ ባሌ ከተማ ሮቤ መኪና ካብታ ከተማ ምውፃእን ናብታ ከተማ ምእታውን ከምዘይኽላ ዝገለፀ ተሳታፊ: መንግስቲ ፖለቲካዊ መራሕቲ ኦሮሞ ዝበሎም እኒ ጀዋር መሓመድ፣ በቀለ ገርባን ካልኦትን ክፍትሑ ኢና ሓቲትና ዘለና ኢሉ።ካብን ናብን ከተማ ሻሸመኔ እውን መካይንእናተዓጀባ ከምዝንቀሳቐሳን ኣብ ከተማ ኣወዳይ እውን ምንቅስቓስ ንግዲ ከም ወትሩከምዘይኮነ ተፈሊጡ ኣሎ። ናይ ጅቡቲ መንገዲ ዝኾነ ኣዳማን ሃረርን ኣብ መንገዲ ብዘጋጠመ ፀገም ምንቅስቓስ ከምዘይከኣሉ ተገልገልቲ ሓቢሮም። ኣብዝተፈላለዩ ከባቢታት ናይ መካይን ምግልባጥ፣ ምስብባርን ምንፋስ ጎማን ከምዘጋጠመ ተፈሊጡ ኣሎ።ጉድኣት ዝወረዶም ዘወርቲ መካይን እውን ከምዘለው ተሓቢሩ። ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ግን ዝተፈጠረ ሽግር የለን፤ኣብ ኩሉ ከባቢ ክልል ኦሮሚያ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ኣሎ ኢሉ ።ወሃቢ ቃል መንግስቲ ናይቲ ክልል ኣቶ ጌታቸው ባልቻ ንድምጺኣሜሪካ ከምዝገለፁዎ ሓደ ሓደ ፀረ ሰላም ዝበሉዎም ሓይልታት ኣብቲ ክልል ዕግርግር ንምፍጣር ፃዕሪ እንተገበሩ እውን ሎሚ እውን ኣይተዓወቱን ኢሎም። ‘’ምንቅስቓስ ዕዳጋ ንምኽልካል ንሰለተ ግዜ ፈቲኖም ኣይተዓወቱን ንራብዓይ ግዜ ሎሚ ፈቲኖም እቲ ህዝቢ ስለዝኣበዮም ስሩዕ ምንቅስቓስ ቀፂሉ ኣሎ፤ኣብቲ ክልል ዝኾነ ይኹን ዝተኸልከለ መጎዓዝያ የለን ኢሎም።ካብ ዞባ ክሳብ ጣቢያ ስሩዕ ምንቅንስቓስ እዩ ዘሎ ዝተፈለየ ሓበሬታ የብልናን’’ ኢሎም። ብዝተኣሳሰረ ዜና ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብዝተዓፀው ናይ መጎዓዚያ ኣድማ ናይ ሶማሌ ክልልን ናይ ጎረቤት ሃገራት ዘራኽብን መንገዲ ተመሳሳሊ ፀገም የጋጥም ምህላው ተገሊፁ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8C%B8%E1%8C%88%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%B5%E1%89%93%E1%88%B5-%E1%88%98%E1%8C%89%E1%8B%93%E1%8B%9D%E1%8B%AB-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5530663.html"} {"headline":"ሰራዊት ማልታ 78 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኑ ሓቢሩ","content":"ሰራዊት ማልታ ትማሊ ሶኑይ 78 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ብምድሓን ናብ ዋና ከተማ ቫለተ ምርጋፉ ሓቢሩ። ሓደ ካብቶም ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ናይ ጥዕና ኩነታት ከምዝነበረ ዝገለጹ ሓይልታት ማልታ ገለ ካብቶም ስደተኛታት ዕሸላት ቆልዑ ዝሓዙ ከምዝነበሩ'ውን ሓቢሮም ኣለው። ሓይልታት ማልታ ኣብ ወርሒ ሓምለ ጥራይ 158 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ሓቢሮም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%9B%E1%88%8D%E1%89%B3-78-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8B%E1%8B%AD-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%93%E1%8A%91-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5530202.html"} {"headline":"ኤርትራ: ኣብ መወሸቢ ማእከል ሰርሓ ብዝተገብረ መርመራታት 3 ኤርትራውያን ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኽቦም ተገሊጹ","content":"ኣብ ኤርትራ ኣብ መወሸቢ ማእከል ሰርሓ ብዝተገብረ መርመራታት 3 ኤርትራውያን ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኽቦም ተገሊጹ። ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ መወሸቢ ማእከል ሰርሓ ዞባ ደቡብ ተወሺቦም ካብ ዝጸንሑ ሰባት ፡ትማሊ ሰኑይ ብዝተገብረሎም ናይ ላባራቶሪ መርመራታት ፥ 3 ዜጋታት ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም ምጽንሖም ኣፍሊጡ'ሎ። እዞም ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም ዜጋታት ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ብፍኑው ካብ ኢትዮጵያ ዝተመልሱ ምዃኖም ተጠቒሱ’ሎ። በዚ መሰረት ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቁጽሪ ኮሮናቫይረስ ዝሓዞም ሰባት ክሳብ ሎሚ 282 ዝተመዝገቡ ክኾኑ ኸለዉ፡ 225 ካብኦም፥ ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ፥ ሓውዮም ክፋነዉ ከለዉ፥ 57 ድማ ኣብ መሐከሚ ማእከላት ተዓቑቦም ምህላዎም ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ'ሎ.።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%88%E1%88%B8%E1%89%A2-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8D-%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%88%93-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%88%98%E1%88%AB%E1%89%B3%E1%89%B5-3-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%A8%E1%8A%BD%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5530096.html"} {"headline":"ኢሳያስ ተባሂሉ ዝተጸውዐ መሸንበባ ማይ ካብ ካሪብያን ናብ ኣሜሪካ ምጽግዑ ተገሊጹ","content":"ኢሳያስ ተባሂሉ ዝተጸውዐ መሸንበባ ማይ ካብ ካሪብያን ናብ ኣሜሪካ ብምጽጋዕ ሎሚ ኣብ ግዝኣታት ካሮላይና ብርቱዕ ማዩ ክኽዕዎ`ዩ ይብሃል ኣሎ። እቲ ኣብ ካሪብያን ክረአ ዝቐነየ ዝቐነየ ትሮፒካዊ መሸንበባ እሰያስ፡ ናብ ወሰናስን ባሕሪ ኣመሪካ ተጸጊዑ ብግዝኣት ጆርጅያ ክሓልፍ ከሎ ኣብ ሰዓት 110 ኪ፣ሜ ናይ ምውንጫፍ ሓይሊ ከምዘለዎን ኣብ መሬት ኣብ ከባቢ ሰሜንን ደቡብን ካሎራይና ዝናብ ከፍስስ ከሎ ናብ ደረጃ ሓይሊ ሀሪከይን ከም ዝድይብን ይግለጽ ኣሎ። ፕረዚደንት ትራምፕ ድሮ ንኖርዝ ኮሮላይና ህጺጽ ሓደጋ ኣዊጁ`ሎ- ንዕኡ ዝኸውን ገንዘብ ብኣግኡ ክፍቐድ ይጠልብ’ሎ ። እዚ መሸንበባ ማይ፡ ቀዲሙ ብምምጻእ ሪኮርድ ዝሓዘ ተባሂሉ`ሎ። ቅድሚ 15 ዓመት ዝመጸ ኣይሪን ዝተባህለ መሸንበባ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዕለት 7 `ዩ ተመዝጊቡ ጸኒሑ። ጥርዚ ወርሓት መሸንበባ ማይ ኣብ ከባቢ መስከረምን ጥቅምትን ክኸውን ከሎ፥ መሸንበባ ማይ `ኢሳያስ` ግን ኣብ ሓምለ ምምጽኡ ዝቐደመ ተባሂሉ ክምዝገብ ክኢሉ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%82%E1%88%89-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%B8%E1%8B%8D%E1%8B%90-%E1%88%98%E1%88%B8%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%AB%E1%88%AA%E1%89%A5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%88%9D%E1%8C%BD%E1%8C%8D%E1%8B%91-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5529021.html"} {"headline":"ኤርትራዊ ስነ ጥበባዊ ዳዊት ዘካርያስ ዓሪፉ","content":"ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይን ተኸታታሊ ፊልምታት ኣብ ምስራሕ ክነጥፍ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ዳዊት ዘካርያስ ብሕማም ሽኮርን ጸቕጢ ደምን ክሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ከተማ መቐለ ምዕራፉ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ኣለም ፍስሃ ካብ ከተማ መቐለ ኣረጋጊጹ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5528698.html"} {"headline":"ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታት ኦሮሚያ ተቓወምቲ መንገድታትን መጓዓዝያን ከምዝዓጸዉ ተሓቢሩ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለያ ዞባታት ኦሮሚያ ተቓወምቲ መንገድታትን መጓዓዝያን ከምዝዓጸዉ ወኪላት ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረብዎም ተቓወምቲ ሓቢሮም። እቲ ተቓውሞታት ኣብ ከተማታት ኣዳማ፥ዞባ ባሌ፥ ሻሸመኔ፡ ሃረር፥ ኣወዳይ ከምኡ`ውን ካልኦት ከባብታት ከምዝተራእየ`ውን ተጠቒሱ`ሎ። ኣብ ከተማ ኣዳማ ገለ ስጉምትታት ከምዝነበረ`ውን ተጠቒሱ`ሎ። እቶም ተቓወምቲ ኣብቲ ክልል ንዘሎ ዘይምርግጋእን ዝተኣስሩ መራሕቲ ፖለቲካን ምላሽ ዝሓቱ ምዃኖም`ውን ካብ ወኪልና ንምርድእ ተኻኢሉ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5528692.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ንዝካየድ ምርጫ ንምስታፍ ሓሙሽተ ውድባት ፖለቲካ ተመዝጊቦም","content":" No media source currently available","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%8D%8D-%E1%88%93%E1%88%99%E1%88%BD%E1%89%B0-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8C%8A%E1%89%A6%E1%88%9D\/5526128.html"} {"headline":"ሰራዊት ማልታ 95 ስደተኛታት ካብ ሰሜናዊ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምድሓኖም ገሊጾም","content":"ሰራዊት ማልታ 95 ስደተኛታት ካብ ሰሜናዊ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምድሓኖም ገሊጾም። እቶም ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሰሜናዊ ሊብያ ኣብ ትጥሕል ዝነበርት ንእሽተይ ጀልባ ተጻዒኖም ምንባሮምን ናብ ወታሃደራዊ መደበር ማልታ ከምዝተወስዱን ተሓቢሩ'ሎ። ካብቶም ስደተኛታት ሓደ ቫይረስኮሮና ከምዘለዎ ስለዝተፈልጠ እቶም ስደተኛታት ኣብ መወሸቢ ማእከል ክጸንሑ ከምዝተገብረ ተፈሊጡ'ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ኣብ ደሴታት ላምፓዱሳ ምብጽሖም ይዝከር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%9B%E1%88%8D%E1%89%B3-95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%8C%88%E1%88%9B%E1%8C%8D%E1%88%9D-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%88%8A%E1%89%A5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%93%E1%8A%96%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D-\/5525649.html"} {"headline":"ዘተ:ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢትዮጵያን መፍትሒኦምንን (2ይ ክፋል)","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምፅኦም ብዙሓት ዝተመነይዎ ለውጥን ሰላምን እንታይ ዕንቅፋት ገጠሞ፧ ኣብ መንጎ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ፌደራል መንግስትን ዘሎ ወጥሪ ከመይ ክፍታሕ ኣለዎ፧ኣብ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ክካየድ ተታሒዙ ዘሎ ምርጫ ስለምንታይ ምንጪ ምስሕሓብ ክኸውን ክኢሉ ዝብሉን ዶክተር ሓጎስ ኣብርሃን ኣርክቴክ ኤርሚያስ ኣማረን ትንታንኦም ሂቦም ኣለው። ዶክተር ሓጎስ ኣብርሃ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ቅዱስ ያሬድ ማእኸል መፅናዕታት ብራናን ጥንታዊ ስነፅሑፋት ኢትዮጵያን ዝሰርሐ ኣብ ሕዚ እዋን ንፖስት ዶክተራል ምርምር ኣብ ሃምቡርግ ዩኒቨርስቲ ጀርመን ይርከብ።ንፖለቲካዊ ኩነታት ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብቀረባ ዝከታተል ዶክተር ሓጎስ ኣብ ታሪኽ፣ባህሊ፣ስነልሳንን ምጣነን የፅንዕ። ኢንጂነር ኤርምያስ አማረ ድማ ቅድም ክብል ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ኣርክተክቸር ዝነበረን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ሓደ ዓብይ ናይ ኮንስትራክሽን ኩባኒያ ዝሰርሕን ከምኡ እውን ንፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝምልከቱ ዛዕባታት ኣብ ዝተፈላለዩ መርበብ ሓበሬታታትን ማሕበራዊ ሚዲያን ዝፅሕፍን እዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/crises-in-ethiopia-and-the-way-out-part-two\/5525473.html"} {"headline":"ግብረ መልሲ ህውሓት ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ንዘጋጠመ መጥቓዕቲ","content":"ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ሰባት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኢድ ህወሓት ኣሎ ተባሂሉ ዝተገለፀ ጠሚቱ ንሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ምላሽ ሓቲትናየን ኣለና:: እተን ሓላፊት \"ህዝቢ ብዝግባእ ከማሓድሩ ዘይከኣሉ ኣመራርሓ: ህዝቢ ምንም ኣይፈልጥን ኢሎም ብምንዓቕ ንዝተፈጠረ ፀገም ፀጥታ ንሳልሳይ ወገን ናይ ምጥባቕ ልማድ እዩ ክብላ ነቲ ክሲ ነፂገንኦ:: ህወሓት ይኹን መንግስቲ ትግራይ ኣብ ከምዚ ዓይነት ፀያፍ ተግባር ከምዘይሳተፉ: ቅድሚ ሐዚ ኣብ ዝሰርሕዎ ስራሕን ካብ ዝኽተልዎ መትከል ይፍለጥ እዩ ኢለን:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%A4%E1%8A%95%E1%88%BB%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%8D-%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%8B%9D-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-\/5524252.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ተቓወምቲ ፓርትታት`ታ ሃገር ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ዘትዩም","content":"ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ተቓወምቲ ፓርትታት`ታ ሃገር ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ዘትዩ። ተቓወምትን ቀ\/ሚ ኣብይን ኣብ ጉዳያት ግዝኣተ- ሕጊ፥ ጉዳይ ህዳሴ ግድብ፡ ከምኡ`ውን ኣብ ጉዳይ ምርጫን ምህናጽ ሃገራዊ ዕርቅን ዝዘተዩ ክኾኑ ኸለዉ ኣብ መብዛሕትኡ ጉዳያት ተመሳሳሊ ኣናብባ ከም ዝነበሮም ተሓቢሩ`ሎ። እንተኾነ ፕሮፈሰር መረራ ጉዲና መራሒ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ምስዚ ዳሕራዋይ ህውከት ብዝተሓሓዝ ዝተኣስሩ መራሕቲ ተቓወምቲ ተፈቲሖም ኣካል ሃገራዊ ምርድዳእ ክኾኑ ኣለዎም ዝብል ክርክር ኣቕሪቦም ኔሮም- ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A2%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%88%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%89%B5%E1%8B%A9%E1%88%9D\/5524215.html"} {"headline":"መጥቓዕቲ ቤንሻንጉል ጉምዝ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዩ ነበርቲ ናብ ንቡር ንምንቅስቃሳቶም ምምላሶም ተገሊጹ","content":"ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ወረዳ ጉባ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዩ ህዝቢ ናብ ሰለማዊ ምንቅስቓሳቱ ከምዝተመልሰን ሓላፊ ኮሚኒኬሽን ወረዳ ጉባ ን ድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ። ስነ-ስርዓት ቀብሪ `ቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝሞቱ 14 ሰባት ተወለድቲ ኣምሓራ፥ ኣዝማዶም ኣብ ዝርከብሉ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተፈጺሙ`ሎ። ሓላፊ ኮሚኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ኣቶ ግዛቸው ሙሉነህ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ናይ ጽንፈኛ ህወሓት ተለኣኣኽቲ`ዮም ክብል ከሎ፥ ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ቤነሻንጉል ምኽትል ሓላፊ ጸጥታ ኣቶ ኣብደልዓዚዝ መሓመድ ብወገኑ፥ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ተለኣኣኽቲ ግብጽን ህወሓትን ምዃኖም ሰነዳቶም ኣረጋጊጹ`ሎ ኢሎም።\\n\\nብዛዕባ`ዚ ክሲ ዝተሓተተት ሓላፊት ርክብ ህዝቢ ክልል ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ \"ህዝቢ ብዝግባእ ከመሓድሩ ዘይከኣሉ ኣመራርሓ: ህዝቢ ምንም ኣይፈልጥን ኢሎም ብምንዓቕ ንዝተፈጠረ ፀገም ፀጥታ ንሳልሳይ ወገን ናይ ምጥባቕ ልማድ እዩ ክትብል ነቲ ክሲ ነፂጋቶ`ላ:: ህወሓት ይኹን መንግስቲ ትግራይ ኣብ ከምዚ ዓይነት ፀያፍ ተግባር ከምዘይሳተፉ: ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝሰርሕዎ ስራሕን ካብ ዝኽተልዎ መትከል ይፍለጥ እዩ ኢላ ኣስዒባ:: ብኻልእ ወገን ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብቲ ከባቢ ግጭት ብምልዕዓል ተኸሲሶም ዝተኣሰሩ 98 ሰባት መስርሕ ፍርዶም ንልዕሊ ዓመት ተጓቲቱ-ክብሉ ናይቶም እሱራት ቤተ ሰብ ኣማሪሮም። ፕረዚደንት ጠቕላሊ ቤት-ፍርዲ ቤንሻንጉል ብወገኑ፥ ቫይረስ ኮሮና ኣብ መስርሕ ቤት -ፍርዲ ዕንቅፋት ከም ዝኾነ ገሊጹ`ሎ። ሓላፊ ቤት ፍርዲ ቤነሻንጉል ጉምዝሕጂ ግን እቲ ግቡእ ናይ ምክልኻል ጥንቃቐ ብምውሳድ እቲ መስርሕ ፍርዲ ክቕጽል`ዩ ኢሉ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%A4%E1%8A%95%E1%88%BB%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%8D-%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%8B%9D-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%8C%BD%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%A9-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%89%A1%E1%88%AD-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%B5%E1%89%83%E1%88%B3%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5524212.html"} {"headline":"ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ብዝተፈፅመ መጥቓዕቲ ሰባት ተቐቲሎም","content":"ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዝተፈላለዩ ጣቢያታት ወረዳ ጉባ ዕጡቓት እቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ ብዝፈፀሙዎ መጥቓዕቲ ህይወት 16 ስቪላት ምጥፍኡን ካልኦት 6 ሰባት ድማ ከምዝቖሰሉን ዳይረክተር ጉዳያት ኮሚኒኬሽንክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ አቶ ግዛቸው ሙሉነህገሊፆም። ግዳያት ናይቲ መጥቓዕቲ ዝኾኑ ድማ እቲ መጥቓዕቲ መንነት ዒላማ ዝገብረ እዩ ኢሎም። ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ኣቶ ዓብዱልዓዚዝ መሓመድ ግን እቲ መጥቓዕቲ ብሄር መሰረት ዝገበረ ከይኮነስ ብምምላእ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ዘይተሓጎሱ ተለኣኣኽቲ ግብፅን ህወሓትን ዝፈፀምዎ እዩ ኢሎም ። 22 ሓምለ 2012 ዓ\\ም ኣብ ዝተፈላለዩ ጣቢያታት ወረዳ ጉባ ብዝተፈፀመ ብሄር መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲ ህወይት 14 ሰባት ጠፊኡ ሽዱሽተ ሰባት ድማ ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ይርከቡ ብመሰረት ሓበሬታ መንግስትን መሰኻኽርን። ኣብ ወረዳ ጉባ ያንቡነ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ዝነብር ሲሳይ ኣበበ መጥቓዕቲ ከምዝፍፀመ ምስ ሰምዐ ስድርኡ ሒዙ ምሽት ከምዝሃደመ ይሕብር። ‘’ቶኽሲ ክጅመር ከሎ ብፀልማት ስዓት ክልተ ሃዲምና ወፂኢና።ንጉሆ ተመሊስና ምስርኣናዮ ግን ኣዚዩ የፅልእ።ምፍጣርካ የፅልእ’’ ብምባል ገሊፁዎ። ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈፀሙዎናይቲ ከባቢ ነበርቲ እዮም ፤ናብ ሓይሊታት ፀጥታ ስልኪ ደዊልና ዝደርአና የለንኢሉ። ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ኣቶ ግዛቸው ምሉነህኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተላኢኹ ስነስርዓት ቀብሮም ተፈፂሙ ኣሎ ኢሎም። ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ወረዳ ጉባ ኣቶ ግርማ ንጋቱ እቲ መጥቓዕቲ ዝተፈፀመ ኣብቲ ከባቢ ብዝንቀሳቐሱ ሽፍታታት እዩ፤ምስቶም ሸፋቱ ብምኳን ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈፀሙ ተወለድቲ ናይቲ ከባቢን ሓደ ናይ ካሊእ ብሄር ተወላዲን ከምዝሎ ፈሊጥና ኣለና ኢሎም። ‘’ሓበሬታ ብምቕባልን ንዕኦም ብምሕጋዝን ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ናይ ምውዓል ስራሕ ሰሪሕና ኣለና።ብርግፅ ናይ ትግራይ ተወላዲ ዝተብሃለ ኣሎ።ንሱ እውን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓለሉ ኩነታት ኣሎ’’ ኢሎም። ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ኣቶ ዓብዱልዓዚዝ መሓመድ ግን እቲ መጥቓዕቲ ብሄር መሰረት ዝገበረ ኣይኮነን፤ምምላእ ግድብ ህዳሴ ስዒቡ ናይዚ ዓወት ዘይድግፉ ተለኣኣኽቲ ዝፈጠሩዎ እዩ ኢሎም። ናይ ግብፅን ህውሓትን ተለኣእኽቲ ዝበልሉ መረጋገፂ ክቕርቡ ተሓቲቶም ’’መቐለ ቀኒዮም ዝመፁ ኣለው።ካብ ሱዳን ዝመፁ ድማ ነዚ ተልእኾ ሒዞም ዝመፁ እዮም።ካብዚ ንላዕሊ መረጋገፂ እንታይ ይድለ’’ ኢሎም። ምስቲ መጥቓዕቲ ብዝተኣሳሰረ ብድምር 30 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዓሉን እዚ ናይ ብሄር ግጭት ከምዘይኮነን ክፍለጥ ኣለዎ ኢሎም። ዳይረክተር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ አቶ ግዛቸው ሙሉነህ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ መጥቓዕቲ ዝተፈፀመ ብፅንፈኛ ተለኣኣኽቲ ህወሓት እዩ ኢሎም። ኣብቲ ወረዳ ሰላም ናብ ንቡር ምምላሱ ኣቶ ግርማ ገሊፆም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/in-ethiopia-benshangul-gumuz-region-q4-civilians-killed-and-six-others-wonded-by-armed-group-said-amhara-regional-government\/5523891.html"} {"headline":"'ኣብዚ እዋን`ዚ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሰላም ሓይሊ ምዃኑ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነትስ ዓለም ፈሊጣ`ያ' ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ","content":"ኣብዚ እዋን`ዚ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሰላም ሓይሊ ምዃኑ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነትስ ዓለም ፈሊጣ`ያ ዝበለ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፥ ህዝቢ ትግራይ`ውን ምስ ህዝቢ ኤርትራ ኾነ ምስ ዝኾነ ህዝቢ ብሰላም ሰሪሑ ልምዓት ከምጽእ`ምበር ውግእ ክሰምዕ ዝደሊ ኣይኮነን ፥ ድልየት ህዝቢ ክልል ትግራይ ከም ድልየት ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም`ዩ ብምባል ውግእ ዝሕሰብ ነገር ከምዘይኮነ ተዛሪቡ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተጀመረ ቁጠባዊ ርክብ ጠጠው ዝበለሉ ምኽንያት ንኤኮኖሚ ትግራይ ንምጉዳእ`ዩ ይብሃል`ዩ ዝብል ሕቶ: ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ካብ ናይ 20 ዓመታት ድቃስ ዝተበራበረ ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከመይ ክኸውን ከምዝኽእል ግምት ምውሳድ ጽቡቕ`ዩ ኢሉ። ኣብዚ እዋን’ዚ ጽቡቕ ዲፕሎማሲያውን ጸጥታውን ርክብ`ዩ ዘለና ብቑጠባ`ውን ከም ናይ መንገዲ ኣየርን ተለፎንን ዝብሉ ንግዳዊ ርክባት ኣለና`ዩ ካልኦት ቁጠባዊ ርክባት ንምምዕባል`ውን ብሓባር ንሰርሕ ኣለና። እዚ ርክባት`ዚ ድማ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክበጽሕ ድማ ተስፋ ኣለና ኢሉ። ንሱ ወሲኹ ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክቀላጠፍ ኩሉ ጽቡቕ ድልየት ዘለዎ ሰብ ዝሓስቦ`ኳ እንተኾነ፥ ን20 ዓመታት ነቲ ጸገም ክፈትሕዎ እናኸኣሉ፥ ን20 ዓመታት ክፈትሕዎ ዘይክኣሉ ሰባት፥ ኣብ ክልተ ዓመት ንዝረኸብናዮ ዓወት ከነኣእሱ ክትሰምዕ ግቡእ ኣይኮነን ኢሉ። ባዕልኻ ክትገብሮ ዘይክኣልካ ምሕዝነት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሕጂ ካልእ ሰብ ምስ ገበሮ ተመሊስካ ክተነኣእሶ ግቡእ ኣይኮነን ኢሉ ። እቲ ርክብ ክሳብ ክንድ’ዚ ንትግራይ ዝጠቅም`ዩ ኢልካ እንተኣሚንካ ንምንታይ ን20 ዓመታት ዘይፈታሕካዮ ክብል ዝሓትት ዶ\/ር ኣቢይ፥ እቲ ርክብ ንኤርትራ`ውን ስለዝጠቅም ካብ ሰላም ኩልና ንጥቀም ኢልካ ምሕሳብ`ምበር ዝተፈለየ ጠቕሚ ከምዘለካ ንትግራይ ንምጉዳእ ኢልካ ምሕሳብ ዝጠቅም ኣይኮነን ረብሓ ክልል ትግራይ ድማ ካብ ረብሓ ኢትዮጵያ ፈሊኻ ክትርእዮ ዝክኣል ኣይኮነን ኢሉ። እቲ ካልእ ነጥቢ ድማ እቲ ርክብ ኣብ መንጎ ክልተ ልኡላዊ ሃገራት ዝግበር ርክብ ብምዃኑ ናይ ፈደራል ስልጣን ምዃኑ`ውን ክስመረሉ ይግባእ ኢሉ ። ጉድኣት`ውን እንተሃልዩ ንኹሉ ዝጎድእ`ምበር ፈሊኻ ንትግራይ ጥራሕ ከምዝጎድእ ጌርካ ክትወስዶ ዝክኣል ኣይኮነን ዝበለ ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፥ እቲ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ግን ኣብ ቅኑዕን ኣብ ዝሓሸን መስመር ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ከም ዘሎን እናተረረ ይኸይድ ከምዘሎን ከረጋግጽ እፈቱ ብምባል ኣብዚ ቀረባ ናብ ኤርትራ ዝገበሮ ዑደት ከም ኣብነት ኣቕሪቡ። መንግስቲ ፈደራል ክወግኣና`ዩ ዝብል ነገር ኣብቲ ክልል ይስማዕ`ዩሞ ንትግራይ ክትወግኡ ዲኹም ንዝብል ክምልስ ከሎ፥ ካብ በሃሊኡ ደጋሚኡ እዚ \"ናይ ዕብዳን ዘረባ`ዩ\" ንዓይ ዝገርመኒ ካብቶም በሃልቱ እቶም ነዚ ከምቁምነገር ወሲዶም ክትንትኑ ዝውዕሉ ሊቃውንቲ`ዮም ኢሉ። ውግእ ናይ ዓያሹን ዘይጠቅምን ምዃኑ ካብ ህዝቢ ትግራይ ንላዕሊ ዝፈልጦ የለን ዝበለ ቀ\/ሚ ኣቢይ ምስ ትግራይ ይኹን ምስ ካልኦት ናይ ሓሳብ ኣፈላላያትና ብልዝብን ብክትዕን ንፈትሕ`ምበር ናብ ተኹሲ ክንኣቱ ፍጹም ዘይንሓስቦ`ዩ ኢሉ። በዚ ምኽንያት ውግእ ኣይክህሉን ኣይንሓስቦንን`ውን ዝበለ ዶ\/ር ኣቢይ፥ ብኻልእ ወገን ንመንግስቲ ኤርትራ ንዓ በጃኻ ንኢትዮጵያ ንውጋእ ኢሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዕድሞ ዘይሕሰብ` ኣብ ታሪኽ`ውን ተራእዩ ዘይፈልጥ`ዩ -መንግስቲን ህዝብን ኤርትራ `ውን ኣብቲ ኸባቢ ልምዓት `ምበር ናይ ውግእ ድልየት የብሉን`ኢሉ። \"መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ እዋን`ዚ ፥ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ሃገራት ዘለዋ ሓደ ሓደ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ፍሉይ ተራ ኣብ ምጽዋት`ዩ ዝርከብ ዘሎ\" ዝበለ ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ፥ \"ኣብዚ እዋን`ዚ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሰላም ሓይሊ ምዃኑ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነት ዓለም ፈሊጡ`ዩ ዘሎ” ኢሉ። ህዝቢ ትግራይ`ውን ምስ ህዝቢ ኤርትራ ኾነ ምስ ዝኾነ ህዝቢ ብሰላም ሰሪሑ ልምዓት ከምጽእ`ምበር ውግእ ክሰምዕ ዝደሊ ኣይኮነን ፥ ድልየት ህዝቢ ክልል ትግራይ ከም ድልየት ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም`ዩ ዝበለ ዶ\/ር ኣቢይ ብመሰረቱ ንሕና ብምሕዝነት ሃገራት ክልቲአን ሃገራት ሓዲሽ ታሪኽ ክንሰርሕ ኢልና ንሰርሕ ዘለና ኢሉ። ኣተሓሒዙ ኣብ መንጎ ፈደራልን ምምሕዳር ክልል ትግራይን ዘሎ ኣፈላላይ ኣብ ቀረባ ክፍታሕ`ዩ ዝብል እምነት`ዩ ዘለኒ- ክፍታሕ ስለዘለዎ-ምኽንያቱ ከምኡ እናበልካ ስራሕ ገዲፍካ ምንባር ኣይክኣልን`ዩ ኢሉ። እቲ ጸገም መታን ክሓጽር ግን ህዝቢ ትግራይ ነቶም ልምዓት ዝደልዩ ምሳና ኮፍ ኢሎም ብልዝብ ክፈትሕዎ ዝደልዩ ከም በዓል ዶ\/ር ደብረጽየን ዝበሉ መራሕቲ ክድግፎም ፥ ነቶም ጎንጺ ዝመርጹ ድማ ኣይፋልኩምን፡ ክብሎም ይግባእ ኢሉ። ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ካብቲ ውድብ መን ንህዝቡ ኢሉ ከም ዝሰርሕ፥ መን ድማ ንባዕሉ ጠቕሚ ኢሉ ብሽም ህዝቢ ትግራይ ከም ዝነግድ እቲ ህዝቢ ስለዝፈልጥ እቲ ኣድላይ ዘይኮነ ንኹልና ዘይጠቅም ፥ጉድኣት ጥራሕ ዘለዎ ነገር ይኣክል ኢሉ ናብ ቅኑዕ መስመር ንምውሳድ ናይ ህዝቢ ትግራይ ግደ ዓቢይ ስለዝኾነ ተርኡ ክጻወት ኣለዎ ኢሉ። ኣተሓሒዙ፡ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ዝተማህረን ዝሰልጠነን ሓይሊ ሰብ ኣለዎ፥ ማህጸን ህዝቢ ትግራይ በብዘመኑ ጀጋኑ ምውላድ ጠጠው ኣይበለትን ኢሉ። ክልል ትግራይ ኮነት ኢትዮጵያ ብናይ ትማሊ ሓሳብ ብናይ ቅድሚ 50 ዓመት ሓሳብ ክትነብርኣይትኽእልን። ኣብ ትግራይ`ውን ንህዝቢ ብደርቢ ከፋፊልካ ምምራሕ ኣይክኣልን`ዩ ኢሉ ። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ትግራይ ክትብልጽግን ከምቲ ታሪኻ ኣብ ኢትዮጵያ ዕዙዝ ተራ ክትጻወትን በዚ ሓዲሽ ወለዶ ክትኣምን ኣለዋ ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣለኒ ኢሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%9A-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%8B%9A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%91-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8C%A5%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8A%AE%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%88%B5-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%8D%88%E1%88%8A%E1%8C%A3-%E1%8B%AB-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A2%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5\/5522666.html"} {"headline":"ፖለቲካዊ ውድብ ባይቶና ኣብ ክልል ትግራይ ክካየድ ኣብ ዝተመደበ ምርጫ ከምዝሳተፍ ኣፍሊጡ","content":"ውድብ ባይቶና ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ምርጫ ብፍፁም ዘስርሕ ባይታ ዋላ’ኳ እተዘይሃለወ ኣብቲ ምርጫ ክንሳተፍ ኢና ኢሉ:: እቲ ውድብ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ: እቲ ክልል ዘመሓድር ውድብ ህወሓት ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ውድባት ፖለቲካ ሽም ካብ ምጥፋእ ምትዕንቓፍን ክቑጠብን ኣብታ ዝተረፈት ናይ ምርጫ እዋን ድማ ንምህዳር ፓለቲካ ምስፋሕ ክሰርሕ ይግባእ ኢሉ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%B0%E1%89%A0-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%B3%E1%89%B0%E1%8D%8D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5522639.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝንቀሳቀሱ ሰለስተ ውድባት አባላቶም ብጅምላ ይእሰርዎም ከምዘለዎ ሓቢሮም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ቅትለት ህቡብ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኣባላቶምን ደገፍትታቶምን ብጃምላ ከምዝተኣሰሩዎም ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝንቀሳቐሱ ሰለስተ ፖለቲካዊ ውድባት ገሊፆም። ግንባር ሓርነት ኦሮሞ\\ኦነግ\\፣ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ\\ኦፌኮ\\ን ናይ ኦሮሚያ ብሄራዊ ፓርትን ከምዝበሉዎ ኣባላቶም ብጃምላ ምእሳሮም፣ዝተቐተሉን ዝቖሰሉን እውን ከምዘለውን ኣብያተ ፅሕፈቶም እውን ከምዝተዓሸጉዎምን ገሊፆም። ኦነግ ናይቲ ውድብ ላዕለዎት ኣመራርሕኡ ሓዊሱ ኣባላቱ ሃለዋቶም ከምዘይፈልጥ ሓቢሩ። ኣቦ ወንበር ኦፌኮ ዝኾኑ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ብወገኖም ልዕልነት ሕጊ ብዝብል ሰበብ ኣብ ልዕሊ ኣባላትን ደገፍትን ውድቦም ዝለዓለ ምክልባት ይፍፀሞም ኣሎ ኢሎም። ኣባላቱ ኣብ ዞባታት ምዕራብ ኣርሲ፣ባሌን ሃረርጌን ከምዝተኣሰሩዎ ዝገለፀ ናይ ኦሮሚያ ብሄራዉ ፓርቲ ተኣሲሮም ናብ ቤት ፍርዲ ዘይቀረቡ ከምዘለው ገሊፁ ኣሎ። ንዞም ክስታት መልሲ ዝሃቡ ኣብ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ዳይረክተር ዳይረክቶረት ናይ ዝተወደቡን ተሳገርቲ ዶብን ገበናት ኣቶ ፈቃዱ ፀጋ ኣብ ቐይዲ ዝኣተው ሰባት ከምዘለው ብምሕባር ብዝፈፀምዎ ገበን እምበር ብፖለቲካዊ እምነቶም ዝተኣሰሩ ሰባት የለውን ኢሎም። ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ውዒሎም ቤት ፍርዲ ዘይቀረቡ እንተሃሊዮም ከምዘፃሪዩ ወሲኾም ሓቢሮም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5522625.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ብዝተፈጥረ ግጭት ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ 20 ሽሕ ሰባት ሓገዝ ክግበረሎም ሓቲቶም","content":"ኣብ ደቡብ ክልል ዞባ ኮንሶ ፍሉይ ወረዳ ኣሌን ብዝተፈጥረ ግጭት ካብ መንበሪኦምን ዝተመዛበሉ 20 ሽሕ ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ክግበረሎም ሓቲቶም። ሽሞም ከይግለፅ ዝሓተቱ እዞም ዜጋታት ኣብ ፀገምን ስቓይን ምውዳቖም ብምግላፅ ሓገዝ ክግበረሎም ሓቲቶም።ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ ነበርቲ ዞባ ኮንሶ ሩባ ሰጊሮም ኣብ ዞባ ደቡብ ኦሞ ወይጦ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ኣዕቒቦም ከምዝርከቡ ገሊፆም። በቲ ግጭት ብዝሒዝተመዛበሉ ሰባት ኣስታት 20,000 ከምዝበጽሕን ናይቲ ዞባ ናይ ሰላምን ፀጥታን ሓላፊ ኣቶ ሓሰን ገሊፆም። ናይ ደቡብ ክልል ኮሚሽነር ስግኣት ሓደጋን ስራሕ ኣመራርሓ ኣቶ ጋንታ ጋሩማ ግጭት ንምርግጋእ ይስራሕ ከምዘሎን ሓገዝ ንምግባር ዝወረደ ጉድኣት ዘፅንዕ ሓደ ግብረ ሓይሊ ናብቲ ከባቢ ከምዝተልኣኸ ገሊፆም። ኣብ መንጎ ዞባ ኮንሶን ፍሉይ ወረዳ ኣሌን ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ብሰንኪ ዘቑፀረ ግጭት ካብ ብክልቲኡ ወገን 16 ሰባት ከምዝሞቱ ሓለፍቲ ምምሕዳር ናይቶም ከባቢታት ገሊፆም ። ብካልእ ወገን ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዝተፈላለዩ ጣቢያታት ወረዳ ጉባ ዕጡቓት ነበርቲ እቲ ከባቢ ብቅድሚ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራብዝፈፀሙዎ መጥቓዕቲ ህይወት 14 ስቪላት ምጥፍኡን ካልኦት 6 ሰባት ድማ ከምዝቖሰሉን ዳይሬክተር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልላዊመንግስቲ ኣምሓራ አቶ ግዛቸው ሙሉነህንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም። እቶም ግዳያት ናይቲ መጥቓዕቲ ዓሌት ዒላማ ዝገበረ እዩ ኢሎም ኣለው። ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ኣቶ ዓብዱልዓዚዝ መሓመድ ግን እቲ መጥቓዕቲ ብሄር መሰረት ዝገበረ ዘይኮነስ ምምላእ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ተዛዚሙ ንዝተረኸበ ዓወት ዝዕንቅፉ ተለኣኣኽቲ ግብፅን ህወሓትን ዝፈፀምዎ መጥቓዕቲ እዩ ኢሎም ኣለው። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5522576.html"} {"headline":"'ህዝቢ ትግራይ ዘይሳተፈሉ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ ክህሉ ኣይክእልን`ዩ' ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ","content":"ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣቢይ ኣሕመድ ህዝቢ ትግራይ ዘይሳተፈሉ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ ክህሉ ኣይክእልን`ዩ ኢሎም ። ዶ\/ር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ መንግስታዊ ሚድያ ብትግርኛ ዝገበርዎ ቀዳማይ ክፋል ቃል-መጠይቕ፥ ንህዝቢ ትግራይ ንምጉዳእ ዝብል ከም ሓሳብ`ውን ክልዓል ኣይክእልን`ዩ- እንተሃልዩ ድማ ክእረም ኣለዎ ኢሎም። ንሶም ምስ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ`ውን ዝምድናታት እናሓይለ ይኸይድ ብምሕባር : መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ዞባ ዝጻወቶ ዘሎ ተራ ንኢትዮጵያ ሓጋዚ ኮይኑ ከምዘሎ ገሊጾም። ቀዳማይ​ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ መግለጺኡ፥ እዚ መጺኡ ዘሎ ለውጢ ጽቡቕ`ኳ እንተኾነ ከም ዝኾነ ለውጢ ናይ ባዕሉ ቃንዛ ኣለዎ ኢሉ። ነቲ ለውጢ ምስ ሕማም ሕርሲ ዘተሓሓዞ ዶ\/ር ኣቢይ ፥ ሃገር ኣብ ፈተና ከም ዘላ መጠን ከምቶም ኣብ ካልኦት ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ካልእን ዘሎ ፈተናታት፥ ህዝቢ ትግራይ`ውን ናይ ባዕሉ ፈተና ኣለዎ፥ እዚ ፈተና`ዚ ግን ግዚያዊ`ዩ- ቀስ እናበለ ዝፍታሕ`ዩ ኢሉ። ኣብ መንጎ ህወሓትን ብልጽግናን ዘሎ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ`ውን ጸቕጢ ከምዝፈጥር ዝጠቐሰ ዶ\/ር ኣቢይ፡ እዞም ኣብ መንጎ ውድባት ዘለዉ ተወሰኽቲ ጸገማት ምስ ምፍታሕ ክልትኣዊ ጸገማት ክፍትሑ`ዮም ዝብል እምነት ከምዘለዎም ብምሕባር “ንሕና`ውን ከም ብልጽግና ብትዕግስቲ ብምዝርራብ ጥራሕ ናይ ምፍትሑ ድልየት`ዩ ዘለና- ኣብ ውሽጢ ህወሓት`ውን ነቲ ጸገም ብሰላም ናይ ምፍታሕ ድልየት ዘለዎም ኣካላት ኣለዉ- ዘይደልዩ ከኣ- ኣለዉ” ኢሉ። ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ሳልሳይ ነጥቢ ኢሉ ዝጠቐሶ ድማ ነቲ ጸገም ናይ ኣተሓሳስባ ኣፈላላይ ከስፍሕዎ ዝደልዩ- ኣብ ብዙሓት ሚድያታት ዝርኣይ ነቲ ጸገም ናይ ምግዳድ ተግባር`ዩ ብምባል፥ ከምቲ ኣብ ሕወሓት ዘለዉ ደለይቲ ጎንጺ ኣብ ካልኦት`ውን ኣለዉ-ብዝተረፈ ግን ንህዝቢ ትግራይ ንምጉዳእ ዝብል ሓሳብ የለን- ከምኡ ዝብል ኣተሓሳስባ እንተሃልዩ ግን ክእረም ኣለዎ ኢሉ። ኣብ ትግራይ ዘለዋ ሚድያታት ዓጺኻ ኣብ ፈደራል ዘለዋ ግን ከም ዝቕጽላ ዝተገብረሉ ኩነታት ኔሩ`ዩ ንዝብል ሕቶ ክምልስ ከሎ ድማ፥ ድሕሪ ለውጢ ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ናጽነት ሚድያ ከም ዝኸፍትና ዓለም ዝፈልጦ`ዩ፥ እንተኾነ ገሊኤን ናይ ሚድያ ስነ-ምግባር ካብ ዘይ-ምርዳእ፥ ገሊአን ኮነ ኢለን ናይ ሓሶት ወረ ብምዝርጋሕ ህዝቢ ንምግጫው ዝፈተና ኔረን `የን፥ ኣብ ክልል ትግራይ`ውን ምስ ባህልን ክብርን ህዝቢ ትግራይ ዘይሳነ መደባት ይቐርብ ኔሩ`ዩ እንተኾነ እቲ ብበዓል ስልጣን ሚድያ ኮርፐርሽን ዝተወስደ ስጉምቲ ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ንዝነበረ ህውከት ንምትህድዳእ ዝወሰዶ ስጉምቲ ከም ዝኾነ`ዩ ዝርድኣኒ፡ ሃገር ናይ ምድሓን ስጉምቲ`ዩ- እዚ ድማ ግዜያዊ ስጉምቲ`ዩ ኢሉ። ህዝቢ ትግራይ ባህሉ ልምዓቱን ክንሰምዕ ንደሊ ኢና- እተን ሚድያታትውን ሰባት እናዓደምካ ካብ ዘይድሊ ጸርፍታት ምግዋሕ ወጺአን ኣብ ሃናጺ ርእይቶታት እንተዘተኩራ ዝበለጸ ምኾነ ምስ በለ- ስዒቡ ዝቐረበሉ ሕቶ፥ ህዝቢ ትግራይ ንኸይረጋጋእን ናብ ልምዓቱ ንኸየተኩርን ብመንግስቲ ፈደራል ዝተወደቡ ዝተፈላለዩ ውዳበታት እንሓመስዎ ይርከቡ ይብሃል`ዩ`ሞ ርእይቶኹም እንታይ`ዩ ንዝብል ሕቶን ኣብቲ ቃለ ምልልስ መሊሱ ። ብዛዕባ`ቲ ንካልእ ጊዜ ዝተመሓላለፈ ሃገራዊ ምርጫ ዝቐረበሉ ሕቶ ድማ፥ እቲ ሎሚ ዓመት ክኻየድ ተወጢኑ ዝነበረ ምርጫ 6ይ ሃገራዊ ምርጫ ምንባሩ ይፍለጥ`ዩ- በደረጃ ዓለም ኮቪድ 19 ምምጽኡ ምኽንያት ብምግባር ድማ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ምርጫ ምግባር ከምዘይክኣል ኣፍሊጡ`ዩ ይኹን`ምበር ህወሓት ብምርጫ ዝተመርጸ መንግስቲ ኢና ንደሊ ብዝብል እምነት፥ ምርጫ ንምክያድ ብቤት ምኽሩ ኣጽዲቕዎ`ሎ ስለዚ ህዝቢ ትግራይ መራሕቱ ምምራጹ እንታይ ጌጋ ኣለዎ ዝብል`ዩ። ኣብ ኣድላይነትን ግድነትን ምርጫ ኣፈላላይ ዘለና ኣይመስለንን ዝበለ ዶ\/ር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ንምርጫ ቆጸራ ሒዝና እናተዳለና ከለና፥ ዘይሓሰብናዮ ናይ ኮሮና ፈተና መጺኡ፥ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ድማ ምርጫ ክሳብ ዝግበር እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ኣካላት ክቕጽሉ ወሲኑ`ሎ እዚ ድማ ንብልጽግና ይቐጽል ንሕወሓት ድማ ኣይትቐጽል ዝብል ውሳነ ኣይነበረን ኢሉ። ስለዚ ኣብ ክልል ትግራይ ኮሮናቫይረስ ስግኣት ኣይኮነን ድዩ? ወይ ንሕሙማት ዝቕበል ዘመናዊ ሆስፒታል ወይ መድሃኒት ኣለና ድዩ ? ንሓደ ዓመት ንዘይምጽባይ ክንድዚ ዝኸውን ናይ ሚልዮናት ባጀት ምውጻእ እንታይ የድሊ? ገንዘብ እንተለና ናይ ማይ ጉድጓድ ዘይንኹዕተሉ፥ ሆስፒታል ዘይነስርሓሉ ዝብል ሕቶታት ክተልዕል ይገብረካ`ዩ ይብል። ኣተሓሒዙ ብኻልእ ወገን ድማ ህወሓት ብሓቂ ስልጣኑ ንካልኦት ውድባት ከረክብ ስለዝደለየ ድዩ ምርጫ ክገብር ደልዩ? ምርጫ ማለት ክልተ ሰለስተ ሓሳባት ሒዝካ እቲ ሓሳባት ንህዝቢ ኣቕሪብካ፥ ህዝቢ ዝወሰዶ ሓደ ሓሳብ ወሲዱ ናይ ባዕሉ መንግስቲ ክተክል ከሎ`ዩ -ንሱ`ዩ ደሞክራሲ ዝብሃል፡ ኣብ ትግራይ ግን ከምኡ ዝበሉ ሓሳባት ተዓፊኖም ከለዉ እቲ ናይ ምርጫ ድራማ ተመሊሱ ህወሓት ናብ ስልጣን ንምምጻእ እንተኾይኑ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን`ውን`ኮ ንሓደ ዓመት ኣብ ስልጣን ጽናሕ ኢልዎ`ዩ ዘሎ ይብል ። ካብኡ ወጻኢ ግን ፈደራል ኣብ ናይ ክልል ጉዳይ ኣይኣቱን፥ እታ ናይ ፈደራል ሓላፍነት ድማ ኣሕሊፍና ኣይንህብን ኢሉ። ብዛዕባ ምዕጻው ናብ ትግራይ ዝኣትዉ መንገድታትን ምድኻም ኤኮኖሚ ትግራይ ዝብልን`ውን ዝተሓተተ ዶ\/ር ኣቢይ፥ ካብ ወገን ክልል ትግራይ፡ ንፈደራል መንግስቲ ኣይንኣምነሉን ኣይንፈልጦን ዝብል ዘረባ`ኳ እንተሃለወ ንሕና ግን ቁጠባ ትግራይ ክጉዳእ ኣይንፈቅድን ኢና ኢሉ። ንትካል ትእምት ዝምልከት ንናይ ጸጥታ ፖለቲካን ንግድን ሓላፍነታት ደራሪቦም ብሓላፍነት ዝሓዝዎ ኣካላት ዝፈጥርዎ ጸገም ክህሉ ይኽእል`ዩ ዝበለ ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ፡ካብኡ ዝተረፈ ቁጠባ ትግራይ ኣካል ቁጠባ ኢትዮጵያ ስለዝኾነ ቁጠባ ትግራይ ጎዲእካ ብልጽግና ክተረጋግጽ ኣይትኽእልን ኢኻ፥ ትግራይ ጥራይ ዘይኮነ ከም ኤርትራ ዝበላ ጎረባብትና ሃገራት`ውን ብሓባር ክንዓቢ ኢልና ንሰርሕ ዘለና ኢሉ። ቀዳማይ ክፋል'ቲ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%B3%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%89-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB-%E1%8A%AD%E1%88%85%E1%88%89-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8A%AD%E1%8A%A5%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%8B%A9-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A2%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5\/5521118.html"} {"headline":"ዘተ:ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢትዮጵያን መፍትሒኦምንን (1ይ ክፋል)","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መፁ ብዝተርኣዩ ኣወንታዊ ለውጥታት ነባሪ ሰላም ክሰፍን ብዙሓት ተስፋ ገይሮም ነይሮም።እቲ ብዙሓት ዝበሃግዎ ሰላምን ቅሳነትን ኣይተረጋገጸን: ቅልውላዋት ዝያዳ ወሲኾምን ገዲዶምን ዝብሉ ወገናት'ውን ኣይተሳእኑን ። ሞት ድምፃዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ድማ ህይወት ሰብ ጠፊኡ፣ዕንወት ንብረትን ምዝንባል ዜጋታት አጋጢሙ።እቲ ፀገም ኣበይ እዩ ዘሎ? ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዘሎ ወጥሪ'ከ ብከመይ ክፍታሕ ኣለዎ?እታ ሃገር ካብዚ ቅልውላው ከመይ ክትወፅእ ትኽእል? ዝብሉን ተኣሳሰርቲ ጉዳያትን ብዝምልከት ንክልተ አጋይሽ ዓዲምና አለና። ዶክተር ሓጎስ ኣብርሃ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ቅዱስ ያሬድ ማእኸል መፅናዕታት ብራናን ጥንታዊ ስነፅሑፋት ኢትዮጵያን ዝሰርሐ ኣብ ሕዚ እዋን ንፖስት ዶክተራል ምርምር ኣብ ሃምቡርግ ዩኒቨርስቲ ጀርመን ይርከብ።ንፖለቲካዊ ኩነታት ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብቀረባ ዝከታተል ዶክተር ሓጎስ ኣብ ታሪኽ፣ባህሊ፣ስነልሳንን ምጣነን የፅንዕ። ኢንጂነር ኤርምያስ አማረ ድማ ቅድም ክብል ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ኣርክተክቸር ዝነበረን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ሓደ ዓብይ ናይ ኮንስትራክሽን ኩባኒያ ዝሰርሕን ከምኡ እውን ንፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝምልከቱ ዛዕባታት ኣብ ዝተፈላለዩ መርበብ ሓበሬታታትን ማሕበራዊ ሚዲያን ዝፅሕፍን እዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/crises-in-ethiopia-and-the-way-out\/5520857.html"} {"headline":"ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ስሩዕ ጉባኤኡ ይካየድ ኣሎ","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ናይ መንነት ሕቶ ጉልባብ ብምግባርን ዘይ-ሕጋዊ ኣወዳድባ ብምፍጣርን፥ ነቲ ኽልል ንምህዋኽ ክግበር ዝጸንሐ ውዲት ብህዝብን ብሓይልታት ጸጥታን ፈሺሉ’ዩ- ክብል ኣመሓዳሪ`ቲ ኽልል ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ ኣፍሊጡ። ኣብ ስሩዕ ጉባኤ ክልል ኣምሓራ መግለጺ ዝሃበ ኣቶ ተመስገን ፥ህወሓት ናይ ሓሶት ሰነዳት እናበተነ፥ ንህዝብታት ኣምሓራን ትግራይን ንምፍልላይ ኣብ ልዕሊ ምጽዓሩ፥ ኣብ ከባቢ ዶብ ዝገብሮ ዘሎ ምትኹቷኽ ዝምልከቶ ኣካል ቀጥዒ ከትሕዞ ይግባእ ኢሉ። እቲ ቤት-ምኽሪ ኣምሓራ ናይ ዝሓለፈ ዓመተ-2012 ኣፈጻጽማ ስራሕ ድሕሪ ምግምጋም ናይ 2013 ቀንዲ ዕላማታት ብምቕማጥ ዝተፈላለየ ሽመታት ኣጽዲቑ`ሎ። ብኻልእ ዜና ኣብ ዞባታት ኦሮሚያን ኣምሓራ ሎሚ` ውን ምስቲ ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ዝሰዓበ ህውከት ብዝተሓሓዝ ተወሰኽቲ ሰባት ከም ዝተኣሰሩ ዝመጻና ዜና ሓቢሩ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%88%B5%E1%88%A9%E1%8B%95-%E1%8C%89%E1%89%A3%E1%8A%A4%E1%8A%A1-%E1%8B%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%88%8E\/5519681.html"} {"headline":"ቤት ምኽሪ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ንክልተ መዓልታት ዘካየዶ አኼባ ዛዚሙ","content":"ቤት ምኽሪ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ንክልተ መዓልታት ስሩዕ ጉባኤ ብምክያድ ኣፈጻጽማ ስርሑ ገምጊሙ ውሳነታት ኣሕሊፉ። ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዝተጨበጠ ለውጢ ብፍላይ እዚ ቤት ምኽሪ`ዚ ተቓሊሱ ዘምጽኦ`ዩ ዝበለ ፕረዚድነት ክልል ኦሮምያ ሽመልስ ኣብዲሳ፥ እቲ ለውጢ ነቶም ንናይ ውልቂ ጥቕሞም ዝስስዑ እንተዘይኮይኑ ንኻልኦት ብዙሕ ዓወታት ኣመዝጊቡ`ዩ ኢሉ። ኣተሓሒዙ፥ ህዝቢ ኦሮሞ ብልዑል መስዋእቲ ዝረኸቦ ዓወት ንምምንጣል ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ብውሽጥን ደገን ተወሃሂዶም እቲ መስርሕ ለውጢ በዳሂ ከምዝኸውን ኣብ ምግባር ይርከቡ ኣለዉ ኢሉ። ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ ብተወሳኺ፥ ናይ ኦሮሞ ብሄረተኝነት ዝልካዕ ብሽም ህዝቢ እናመሓልካ ንሃብቲ ህዝቢ ብምብዝባዝ ዘይኮነስ፥ ነቲ ዘሎ ዕድል ብምሉኡ ተጠቒምካ፡ ንህዝቢ ኦሮሞ ንቕድሚት ምስግጋር`ዩ ኢሉ። ኣተሓሒዙ ፥ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ንኦሮሞ ክብድሉን ክምዝምዙን ዝጸንሑ ሓይልታት ኣብ ውሽጢ ኦሮሞ ንዝመልመልዎም ኣፍራስ ይጋልብዎም ኣለዉ ብምባል ንሕወሓትን ኦነግ ሸኔን ጠቒሱ። ብዛዕባ`ዚ ካብቶም ኦነግ ሸኔ ኢሉ ዝጸውዖም ወገን ዝተረኽበ መልሲ የለን፥ ንሕወሓት ብዝምልከት ግን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ`ቲ ውድብ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፥ ንሕና ኣብ ናይ ውሽጣዊ ጉዳይኩም ኢድ የብልናን፥ ንዓና ከም ምኽንያት ክትጥቀሙልና ኣይትፈትኑ ዝብል መልሲ ሂቡ`ሎ። ኣቦ መንበር መድረኽ ፕሮፈሰር መረራ ጉዲና ብወገኖም፥ ጸገማት ክፍጠሩ ከለዉ ናብ ካልኦት ኣጻብዕትኻ ካብ ምውጥዋጥ ናብ ውሽጥኻ ብምርኣይ ፈውሲ ክርከብ ይክኣል`ዩ ኢሎም። ኣብታ ሃገር ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ዝማኸር ሃገራዊ መረዳድኢ የድሊ`ውን ኢሎም። ​እቲ ንክልተ መዓልታት ዝተኻየደ ባይቶ ክልል ኦሮሚያ፥ ዝተፈላለየ ናይ ሽመት ምልውዋጥ ብምግባርን ናይ ዝመጽእ ዓመት ባጀት ብምጽዳቕን ተዛዚሙ’ ተዛዚሙ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9A%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B6-%E1%8A%A0%E1%8A%BC%E1%89%A3-%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%99\/5519432.html"} {"headline":"ኣቶ ልደቱ ኣያሌው ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታዎም ተሓቢሩ","content":"ኣቶ ልደቱ ኣያሌው ሎሚ ዓርቢ ብፌደራል ፖሊስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታዎም ብዝተፈላለዩ ስሩዕን ማሕበራዊን ሚዲያ ዝተገለፀ ክኸውን ከሎ ብፍላይ ኣውሎ ሚዲያ ንዝተባህለ ትካል ባዕሎም ደዊሎም ከምተዛረቡ ፀብፂቡ ኣሎ። ቤት ፍርዲ ከተማ ቢሸፍቱ 3 ሓምለ 2012 ዓ\\ም ብዘሕለፎ ትእዛዝ ክትሓዙ ምውሳኑ ናይ ፖሊስ መዝገብ ይገልፅ። ፖሊስ ከተማ ቢሾፍቱ ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳቤ ተጠርጣሪ ኣቶ ልደቱ ኣያሌው ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ዝተፈጥረ ህውከት ብምውዳድን ናይ ገንዘብ ሓገዝ ብምግባርን ስለዝተጠርጠረ ተታሒዙ ንክቐርብ ፃውዒት እንተተገበረሉ እውን ክቐርብ ስለዘይክኣለ ሒዝናዮ ንምቕራብ ትእዛዝ ክወሃበና ዝብል ሕቶ ከምዝቐረበሉ እቲ ቤት ፍርዲ የዘኻኽር። እቲ ቤት ፍርዲ ኣብዝሃቦ ትእዛዝ ናይ ኣመልካቲ ሕቶ ዘእምን ብምዃኑ ተጠርጣሪ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ውዒሉ ኣብ ውሽጢ 48 ስዓታት ናብ ቤት ፍርዲ ክቕርቦ ኣዚዙ ኣሎ። ብመሰረት ፀብፃብ ኣውሎ ሚዲያ ግን ኣቶ ልደቱ ካብ ፌደራል ፖሊስ ስልኪ ተደዊልሎም ብድልየቶም ከምዝኸዱ ይገልጽ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሓይልታት ፀጥታ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዝኣተውኣባል ኣመራርሓ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ኣቶ ደጀኔ ጣፋ ብቫይረስኮሮና ተታሒዞም ኣብ ሕክምና ከምዝርከቡ ተፈሊጡ። ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት ናይ ኦሮሚያ ሚዲያ ኔትዎርክ(OMN)ን ሓደ ኬንያዊ ጋዜጠኛን እውን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምውዓሎም ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ ፌደራል ዓቃቢ ሕጊ ሓላፊ ምርመራ ዝተዋደደ ገበንን ገበናት ተሳገርቲ ዶብን ኣቶ ፈቃዱ ፀጋ እቶም ጋዜጠኛታት ብሄር ምስ ብሄር ብምልዕዓልን ህውከት ብምቕስቓስን ተጠርጢሮም እዮም ተታሒዞም ዘለው ኢሎም ኣለው ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%88%8D%E1%8B%B0%E1%89%B1-%E1%8A%A3%E1%8B%AB%E1%88%8C%E1%8B%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%89%90%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9-\/5516381.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ዓፋር ዑደት አካይዶም","content":"ኣብ ክልል ዓፋር ዑደት ዘካይዱ ዘለው ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ናይ ወፃኢ ለገስቲ ሃገራት ተፅዕኖ ምውፃእ ዝክኣል ሃገራዊ ሓድነት ክሕይልን ናይ ስራሕ ባህሊ ክዓብን ከሎ እዩ ኢሎም። ንሶም ወሲኾም ኢትዮጵያ ይትረፍስ ንህዝባ ንካልኦት ዝተርፍ ተፈጥሮኣዊ ፀጋ ዘለዋ ሃገር እንተኾነት እውን ብሓባር ሰሪሕና ብሓባር ክንብልፅግ ኣይከአልናን ኢሎም። “እንተደሊና ክንህብ ኢና፤እንተደሊና ኸአ ክንኸልአኩም ኢና እናበሉ ካብ ዘፈራርሑና ሓይልታት ነፃ ዘውፅአና ተሓባቢርና ወፅኢት ክነምፅእ ከለና እዩ።እንተኽኢልካ ኩሉ ይሕግዘካ፤ውፅኢታዊ እንተድኣ ኮይንኻ ኩሉ ይሕግዘካ።ከምዘይትኽእል ክሓስቡ ከለው ግን ብውሑድ ሳናቲም ከታልለካ ይደሊ።ስለዝኾነ ካብዚ ነፃ ንምኳንን ብምሉእ ዓቕሚ ብኽልተ እግርና ደው ኢልና ክንሰርሕ ክንኽእልን ፃዕርን ሕብረትን የድልየና እዩ ።” ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ቀጺሎም ኢትዮጵያዊያን ንኢትዮጵያ ብዝግባእ ክፈልጡዋ ኣለዎም ኢሎም። ኣብ ወረዳ ዱብቲ ዝርከብን ካብ ወፃኢ ዝኣትው ስርናይ ብናይ ውሽጢ ሃገር ምህርቲ ንምትካእ ብመንግስቲ ንዝተጀመረ ፕሮጀክት እውን ተዓዚቦም ኣለው። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ሓምለዋይ ዓሻራ ከቐምጡ ከለው ከምዝተዛረቡዎ ትማሊ ብዝተመዝገበ ዓወት ከይተዘናጋዕና ተወሳኺ ዓወት ንምሕፋስ ተኽሊ ምትካልን ምሕብሓብን ቐዳምነት ዝወሃቦ ተግባርና ክኸውን ኣለዎ ኢሎም ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D-\/5516366.html"} {"headline":"ኮሚተ ናይ ወልቃይት ኣምሓራ መንነትን ኣብን ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ከካይድ ንዝወጠኖ ምርጫ ተቓዊሞም","content":"ህውሓት: ካብ ክልል ኣምሓራ ወሲዱ ኣብ ክልል ትግራይ ዘጠቓለሎም ዝተባህሉ ናይ መሬት ጉዳይ መፍትሒ ከይረኸበ ምርጫ ምክያድ ኣይክእልን ክብሉ ኮሚተ ናይ ወልቃይት ኣምሓራ መንነትን ሃገራዊ ምንቅስቃስ ኣምሓራን ኣፍሊጦም። ምርጫ ቦርድ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ክካየድ ዝተወጠነ ምርጫ ምንጻጉ ድማ ግቡእ ግብረ መልሲ'ዩ ክብሉ ን ኢዶም። ክልቲኦም ምንቅስቃሳት ነዚ ተቓውሞ ናብ ቤት ምኽሪ ፈደራል ከምዘቕርቡ'ውን ሓቢሮም ኣለው። ክልቲኦም ኣብያተ ምኽሪ'ታ ሃገር ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ሃገራዊ ምርጫ'ታ ሃገር ናብ ካልእ ጊዜ ክመሓላለፍ ዘቕረብዎ ውሳነ ዘይተቐበለ ህውሓት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝተወሰነ ጊዜ ምርጫ ከምዝካየድ ይገልጽ'ሎ። ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኼሽን ክልል ትግራይ ወ\/ሮ ሊያ ታደሰ ብወገነን እዚ ንናይ ራያን ወልቃይትን ህዝቢ ጉዳይ ንሕና ንፈልጥ ናይ ዝብሉ ወገናት ሓሳብ'ዩ ክብላ ነቲ ዝለዓል ሕቶታት ነጺገን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B0-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%89%83%E1%8B%AD%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B5-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%8C%A0%E1%8A%96-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%93%E1%8B%88%E1%88%99-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/5515675.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ን23 መዓልታት ተቛሪፁ ዝነበረ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ዳግም ጀሚሩ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ን23 መዓልታት ተቛሪፁ ዝነበረ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ዳግም ጀሚሩ:: ቅድሚ 23 መዓልታት ቅትለት ህቡብ ድምፃዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ተቛሪጹ ጸኒሑ:: ካብ ሎሚ ረፋድ ጀሚሩ ኣብ ክልል ትግራይ ተቛሪጹ ዝነበረ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ብብሮድባንድን ብተወሳኺ እውን ብሞባይል ዳታ ዳግም ጀሚሩ’ሎ:: ብተመሳሳሊ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ኢንተርኔት ዳግም ተኸፊቱ ከምዘሎ ተሓቢሩ:: ኣብ ከተማታት ድሬዳዋ: ጅግጅጋ: አዳማ: ባህርዳርን ሃዋሳን ኢንተርኔት ከምዝተኸፈተ ካብቲ ከባቢ ኣረጋጊፂና ኣለና:: ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኢንተርኔት ብብሮድባንድ ምጅማሩ ይዝከር:: ከም ፌስቡክ ዝበሉ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ግን ሕጂ’ውን ብቪፒን ጥራሕ ይሰርሑ ከምዘለው'ውን ተፈሊጡ'ሎ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5514853.html"} {"headline":"ቀዳማይ መድረኽ ምምላእ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ምዝዛሙ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ገሊጾም","content":"ቀዳማይ መድረኽ ምምላእ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ሸትኡ ምውቅዑ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ረቡዕ ገሊፆም። 4.6 ቢሊዮን ዶላር ወጻኢዝተገብረሉ'ቲ ግድብ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ እዩ ክኸውን: ኣብ 2023 ብምሉእ ዓቕሙ ስራሕ ክጅምር ከሎ 6,000 ሜጋዋት ሓይሊ መብራህቲ ከመንጭው ትፅቢት ይግበር። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብ መገልፂኦም \"ንዝኾነ ይኹን ወገን ከይረበሽናን ከይጎዳእናን ቀዳማይ ምዕራፍ ምምላእ ማይ ብዓወት ዛዚምና ኣለና።ሕጂ እቲ ግድብ መሊኡ ይፈስስ ኣሎ’’ ኢሎም ። እዚ ዝግለፅ ዘሎ መራሕቲ ኢትዮጵያ፣ግብፅን ሱዳንን ብርሕቐት ወይ ድማ ብቨርቺዋል ተኣኪቦም ብዛዕባ እቲ ግድብ ንምዝርራብ ድሕሪ ምስምምዖም ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5513746.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብዝተፈጥረ ሁከት ልዕሊ 1,000 መንበሪ ኣባይትን ልዕሊ 240 መካይን ምዕናዎም ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብዝተፈጥረ ሁከት ልዕሊ 1,000 መንበሪ ኣባይትን ልዕሊ 240 መካይን ምዕናዎም ናይቲ ክልል ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን ኣቶ ጌታቸው ባልቻ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣፍሊጦም። ንሶምኣብ ክልል ኦሮሚያ ቅትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ብዝተልዓለ ግጭት ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ኦሮሚያ ዞባታትን ወረዳታትን ዝወረደ ዕንወት ንብረት ንምቁፃር ከምዝፈተኑ ሓቢሮም።ኣስታት 523 መንበሪ ኣባይቲ ከምዝተቓፀሉን ኣስታት 499 ዝኾኑ ድማ ከምዝተሰባበሩ ገሊፆም።ኣስታት 195 ሆቴላት ከምዝተቓፀሉን 32 ሆቴላት ድማ ዝተሰባበሩ እዮም ኢሎም።ሽዱሽተ ናኣሽቱን ማእኸለዎትን ፋብሪካታት ተቓፂሎም 104 ናይ መንግስቲ ኣብያተ ፀሕፈት እውን ነዲዶም።ኣስታት 273 ናይ ውልቂ መኪናታትን 232 ናይ ንግዲ ሹቓት ምቅፃሎም ብሓፈሻ ከቢድ ዕንወት ከምዝወረደ ሓቢሮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5513260.html"} {"headline":"ዓቢይ ህዳሴ ግድብ ኢትዮጵያ ዝመጽእ ዓመት ሓይሊ ኤለክትሪክ ከመንጩ ከምዝጅምር ተሓቢሩ","content":"ዓቢይ ህዳሴ ግድብ ኢትዮጵያ ዝመጽእ ዓመት ሓይሊ ኤለክትሪክ ከመንጩ ከምዝጅምር ሚንስተር መስኖን ሓይሊ ኤለክትሪክን'ታ ሃገር ዶ\/ር ስለሺ በቀለ ኣፍሊጦም። እቲ ግድብ ኣብዚ ዓመት`ዚ ንክሕዞ ተተሊሙ ዝነበረ ማይ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ከምዝሓዞ ድማ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ-መጠይቕ ሓቢሮም። ብመሰረት መግለጺ ሚንስትር ማይ መስኖን ሓይሊ ኤለክትሪክን ዶ\/ር ስለሺ በቀለ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ክመልእ ጀሚሩ። ድሮ`ውን ናይዚ ዓመት`ዚ ማይ ሒዙ'ሎ። ጽቡቕ ከረምቲ ስለዝነበረ`ውን ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን እቲ ነቲ ነዚ ዓመት ዝተምደበሉ ማይ ክሕዝ ክኢሉ። በዚ ጀሚሪዎ ዘሎ ምምላእ ማይ እንተቀጺሉ ድማ ካብ ንዓመታ 2013 ብ ኣቆጻጽራ ግእዝ፡ ኢትዮጵያ ካብ ህዳሴ ግድብ ሓይሊ ኤለክትሪክ ክተመንጩ ክትጅምር`ያ። \"ንታሕቲ ዝሓልፍ ማይ ምሉን ንምሉእ ከየቋረጽና፡ እቲ ማይ እናሕለፍና፡ ነገር ግን ሕጂ ክረምቲ ብምዃኑ ናብቲ መዋህለሊ ዝኣቱ ማይ ልዑል ብምዃኑ፥ ካብቲ ዝወጽእ ንላዕሊ ስለዝበዝሐ እናተዋህለለ ከይዱ፡ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ክመልእ ክኢሉ:መሊኡ'ውን ክፈስስ ጀሚሩ'ሎ።\" ሚንስተር ዶ\/ር ስለሺ በቀለ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፥ ብኣቦ-መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ሲሪል ራማፖሳ ዝተመርሐ ኣብ መንጎ መራሕቲ ኢትዮጵያ ሱዳንን ግብጽን ዝተኻየደ ናይ ቪድዮ ኣኼባ ዕውት ምንባሩ ገሊጹ`ሎ። ኣተሓሒዙ ኣብ ቴክኒካውን ሕጋውን ጉዳያት ዝላዘቡ ሰብ-ሞያ ሰለስቲአን ሃገራት፥ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ወይ ካብኡ ብዙሕ ኣብ ዘይረሓቐ ግዜ ከምዝራኸቡን ኣብቶም ዝተረፉ ነጥብታት ንምስምማዕ ንክሰርሑን እቶም መራሕቲ መምርሒ ምሃቦም ገሊጹ። \"ንኣብነት ኣብ ኣመላልኣ ማይ ኣብ ሓጺር ግዜ ብኹሉ ደረጃ ዝግበር ምምላእ ማይ እንደገና ሓጺር ምይይጥ ተገይርሉ ክዛዘም ኣብ ልዕሊኡ ስምምዕ ክብጻሕን ዝብል ቀዳማይ ኣካይዳ ኮይኑ፡ካልኣይ ድማ ነባሪ ዝኾነ ንመጻኢ ኣጠቓቕማ ማይን ናይቲ ማይ ክፍፍልን ብዝምልከት ድማ ካልኦት ኣማራጺ መንገድታት ክርኣዩ ዝብል ድማ ካልኣይ ውሳነ እዚ ድማ ኣብ ቀጻሊ ኣብ ዝግበር ልዝባት ክፍትሑ ዝብሉ'ዮም።\" ሚንስተር ስለሺ ብተወሳኺ፥ ግድብ ህዳሴ ነዚ ዓመት ክሕዞ ተተሊምሉ ዝነበረ ማይ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ምሓዙን ካብቲ ግድብ ሓሊፉ ክፈስስ ምጅማሩ፥ ከምኡ`ውን እቲ ማይ ናይ ምምላእ ስራሕ ወግዓዊ ከም ዝተገብረ ሓቢሩ`ሎ። ግብጺ ኣብ ፈለግ ኒል ዝጸንሓ ናይ ተጠቃምነት መሰል ብዝምልከት ሒዛቶ ዝጸንሐት`ሞ ዛጊት ዓቢይ ብድሆ ስምምዕ ኮይኑ ዝጸንሐ መትከላ ለውጢ ጌራ ድያ ንዝብል ሕቶ ዝምልስ ሚንስተር ማይ መስኖን ኤለክትሪክን ኢትዮጵያ ከምዚ ይብል፥\"ሰላማዊ ፍታሕ ዝርከብ ኩሉ ዘድልዮ ናይ ልምዓት ጉዳይ ብግቡእ ተገንዚቡ፡ ሚዛናዊ ብዝኾነ ደረጃ ልምዓት ክህሉ ኸሎ'ዩ'ምበር፡ ሓደ ዜሮ፡ እቲ ኻልእ ድማ ምሉእ ዝጠቀመሉ ኣካይዳ ከምዘየዋጽእ ግልጺ'ዩ።\" ንዓመታ 2013 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ፡ ክልተ ተርባይናትን ጀነረይተራትን ከምዝትከሉ ዝገልጽ ዶ\/ር ስለሺ ድሕሪኡ ፈተነ ተገይሩ ናብ ኤለክትሪክ ምምንጫው ከምዝእቶ ኣፍሊጡ'ሎ። ጎኒ ንጎኒ ድማ ናይ 'ቶም 11 ተርባይናት ናይ ሓጺን ምትካል ስራሕ ክስራሕ'ዩ፡ ድሕሪኡ ናብ ካልኣይ ዓመት ማይ ምምላእ ብምስጋር ኣብ መወዳእታ ናብ ምምንጫው ሓይሊ ኤለክትሪክ ክንሓልፍ ኢና ኢሉ'ሎ። ኣብቲ ትማሊ ብመራሕቲ ግብጺ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ልዝብ ፥ ዝምልከተንን ኣብቲ ስምምዕ ንምሕጋዝን ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃ ተሳቲፈን ኔረን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%89%A2%E1%8B%AD-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%8A%A5-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%8A%A4%E1%88%88%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%88%AA%E1%8A%AD-%E1%8A%A8%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%A9-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8C%85%E1%88%9D%E1%88%AD-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5513231.html"} {"headline":"ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ሻንጋይ መዓርፎ ነፈርቲ ባርዕ ሓዊ ከምዘጋጠማ ተገሊጹ","content":"ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነት ቦይንግ 777 ዝዓይነታ ነፋሪት ሎሚ ረቡዕ ኣብ ቻይና ሻንጋይ መዓርፎ ነፈርቲ ኣቑሑት ኣብ ትጽዕነሉ ዝነብረ እዋን ባርዕ ሓዊ ከምዘጋጠመ እንተኾነ ኣብ ሰብ ዝበጽሓ ጉድኣት ከምዘየለ ሮይተርስ ገሊጹ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ፌስቡክ ዝሃቦ መግለጺ ጠንቂ'ቲ ባርዕ ሓዊ ይጻረ ከምዘሎን እታ ነፋሪት ካብ ሻንጋይ ናብ ሴንት ፖል ሳንቲያጎ መደበኛ በረራ ተኻይድ ከምዝነበረትን ሓቢሩ'ሎ። ድሕሪ'ቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ናብ ሻንጋይ መዓርፎ ነፈርቲ ክዓልባ ተመዲበን ዝነበራ ነፈርቲ ኣብ ካል መዓርፎ ነፈርቲ ክዓልባ ምግዳደን'ውን ተፈሊጡ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%90%E1%8D%8B%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%A8%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%BB%E1%8B%AD%E1%8A%93-%E1%88%BB%E1%8A%95%E1%8C%8B%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%AD%E1%8D%8E-%E1%8A%90%E1%8D%88%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%A3%E1%88%AD%E1%8B%95-%E1%88%93%E1%8B%8A-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%9B-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5513070.html"} {"headline":"ግብረ መልሲ ቤት ጽሕፈት ቀ\/ሚ ንክስታት ክልል ትግራይ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ክካየድ ዝበሃል ምርጫ ስማዊንትርጉም ዘለዎ ጉዳይ ብዘይምኳኑ ፈደራል መንግስቲ ከም ቁምነገር ስለዘይወስዶ ነዚ ንምትዕንቃፍ ዝተወስደ ስጉምቲ የለን ክብሉ ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁንንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም። እንተኾነ ግን ቦርድ ምርጫ ንምንታይ ዘይሕጋዊ ስራሕን ንሕገ መንግስቲ ዝጥሕስ ተግባር ኣይሰርሓን ተባሂሉ ክውቀስ ኣይግባእን ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ካልኣይ ክፋል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8C%BD%E1%88%95%E1%8D%88%E1%89%B5-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/5512057.html"} {"headline":"ምዕጻው ኣገልግሎት ኢንተርነት ኢትዮጵያ ነታ ሃገር ናይ 4 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዘስኣና ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ንዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ዝተዓጽወ ኢንተርነት ነታ ሃገር ልዕሊ 4 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከም ዘስኣና ኣብ ዓለም ዝርግሐ ኢንተርነትን ድሕነት ሳይበርን ዝከታተል ` ኔት ብሎክስ` ዝተባህለ ዘይ-መንግስታዊ ትካል ኣፍሊጡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘቋረጾ ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ዝሰዓበ ሁከትን ረብሻን ንኸይጋደድን ህይወት ሰባት ንምሕላውን ምዃኑ ይገልጽ። በቲ ምዕጻው ኢንተርነት ኢትዮ-ቴሌኮምን ትካላት ንግድን ፋይናንስን`የን ዝያዳ ከሲረን-። ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ብኢንተርነት ተጠቒሞም ኣገልግሎት ዝህቡ `ዛይ ራይድ` ከምኡ`ውን `ደሊቨር ኣዲስ` ዝብሃሉ ክልተ ናይ ንግዲ ትካላት፥ ኣብ`ዘን ዝሓለፋ ክልተ ሰሙናት ጥራሕ ካብ 50 ክሳብ 200 ሺሕ ብር ከምዝኸሰሩ ይገልጹ። ጸገም ትራንስፖርት ኣዲስ ኣበባ ንምቅላል ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝተመስረተ `ዛይ ራይድ` ዘመናዊ ኣገልግሎት ታክሲ፥ ኣብ እዋን`ቲ ኢንተርነት ዝተቛረጸሉ 10 መዓልታት፥ ነቲ ክረኽቦ ተሊምዎ ዝነበረ ልዕሊ 500 ሺሕ ብር ከም ዝሰኣነ መስራቲ`ቲ ትካል ሃብታሙ ታደሰ ይገልጽ። “ኣብ ትሕቲኡ ልዕሊ 40 ተቖጸርትን ልዕሊ 700 ዘወርትን ዘመሓድር ዛይ ራይድ፥ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ኣቐዲሙ`ውን ዕዳጋ ዝሒልዎ ከም ዝነበረ ዝገልጽ ኣቶ ሃብታሙ፥ ንድሕነት ሃገር ኢሉ መንግስቲ ዝወሰዶ ምዕጻው ኢንተርነት ዝድግፍ`ኳ እንተኾነ፡ ኣትዓጻጽውኡ ግን ንትካላት ንግዲ ብዘይ ጎድእ መልክዕ ክግበር ይክኣል ኔሩ`ዩ።” ብተመሳሳሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምህርትታት መግቢ፡ ኣስቢዛ፥ ዕንባባን ካልእ ሃለኽትን ነገራት ዘቕርብ `ደሊቨር ኣዲስ` ዝተባህለ ትካል`ውን ድሕሪ ምዕጻው ኢንተርነት ልዕሊ 200 ሺሕ ብር ምስኣኑ መስራቲ`ቲ ትካል ኣቶ ፈለግ ጸጋይ ይገልጽ። ኢንተርነት ምዕጻው ኣብታ ሃገር ዓቢይ ጸገም ምህላዉ ዘርኢ`ዩ ዝብል ኣቶ ፈለግ፥ ዝኾነ ሰብ ኣብ ሃገሩ ሰሪሑ ንምንባር ብቐዳምነት ድሕነትን ሓላዋን የድልዮ ኢሉ። ካብ ትካላት ንግድ ወጻኢ ባንክታት ትካላት ቴክኖሎጂ ሓበሬታ፡ ትካላት ወከልቲ ጉዕዞ በቲ ምቁራጽ ኢንተርነት ካብ ዝተጎድኡ `ዮም። ብፍላይ ከኣ ባንክታት ምስ ምትሕልላፍ ሓወላ ገንዘብ ብዝተኣሳሰር ኣሉታዊ ተጽዕኖ ከም ዘሕድር `ውን ሓለፍቲ`ተን ትካላት ይገልጹ። ዋና ኣካያዲ ስራሕ ትካል ማይክሮፋይናን ንስር ኣቶ ዳዊት ጸጋ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ብዝኽሰት ምዕጻው ኢንተርነት ምኽንያት፡ ብዝፍጠር ምቁራጽ ርክባት፥ እታ ሃገር ኣብ መዓልቲ ክሳብ 4 ሚልየን ዶላር ዝበጽሕ ዓቢይ ኣታዊ ከምዘስእና ይገልጽ። ብዛዕባቲ ጉዳይ ዝተሓተተ ተንታኒ ቁጠባ ኣቶ ዋሲሁን በላይ ብወገኑ፥ ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ሃገራት ክነጻጸር ከሎ፥ ብዲጂታል ቁጠባ ኣብ ኣዝያ ዝተሓተ ደረጃ እንተሃለወት`ኳ፥ ኣብታ ሃገር ብቐጥታ ምስ ኢንተነት ርክብ ኣብ ዘለዎም ስራሓት ዝተዋፈሩ ትካላት ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ኣታዊኦም ምስኣኖም ብምግላጽ፥ ብቀንዱ ተጎዳኢ ግን ባዕሉ መንግስቲ`ዩ ይብል። ተንታኒ ቁጠባ ዋሲሁን በላይ ኣተሓሒዙ መንግስቲ ብመንጽር ድሕነት ሃገር ዘቋረጾ ኣገልግሎት ኢንተርነት፥ ኣብታ ሃገር ዝወረደ ናይ ቁጠባ ተጽዕኖ ቀሊል እንተዘይኮነ`ኳ፡ ብመንጽር ምሕላው ህላዌ ሃገር ግን ከሲቡ`ዩ ይብል ። ​","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%8C%BB%E1%8B%8D-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%90%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8A%93%E1%8B%AD-4-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8B%B6%E1%88%8B%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%B5%E1%8A%A3%E1%8A%93-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5511660.html"} {"headline":"ብጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ልኡኽ ካብ ፕረ. ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝተላእኸ መልእኽቲ ናብ ፕረ. ሱዳን ኣብጺሑ","content":"ብሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ጀነራል ዓብዱል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ፕረዚደንት ሱዳን ተራኺቡ ካብ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝተላእኸ መልእኽቲ ከምዘብጸሐ ተሓቢሩ። ጀነራል ዓብዱል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ንተራ ኤርትራ ኣብቲ ፈታኒ ናይ ምስግ ጋር እዋን ብምድናቕ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ሱዳንን ተፈጢሩ ንዘሎ ኩለንትናዊ ጥቡቕ ዝምድና ዕግበቱ ከምዝገለጸ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ ቲዊተር መልእኽቲ ገሊጹ። እቲ ብሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝተመርሐ ልኡኽ ኤርትራ ፡ ኣዛዚ ማእከላይ ዞባ መጀር ጀነራር ሮመዳን ኣውልያይ፥ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ መጀር ጀነራል ሑመድ ካሪካረ ከምኡውን ሓላፊ ሃገራዊ ጸጥታ ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ከምዝርከብዎ ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%8C%80%E1%8A%90%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%B6%E1%88%B5-%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%8B%B0%E1%8B%AE%E1%8B%8D%E1%88%83%E1%8A%95%E1%88%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%AD%E1%88%90-%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8B%E1%8B%AD-%E1%8B%88%E1%89%B0%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8A%A2%E1%88%B0%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8A%A5%E1%8A%B8-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%89%B2-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8C%BA%E1%88%91\/5511485.html"} {"headline":"መግለጺ ክልል ትግራይ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት","content":"ምኽትል ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶ\/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ንመሓውራት ዜና'ቲ ክልል ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ፈደራል መንግስቲ ምስ ካልኦት ብምትሕብባር ኣብቲ ክልል ንምክያድ ዝተወጠነ ምርጫን ቁጠባ'ቲ ክልል ንምትዕንቓፍ ይሰርሕ ኣሎ ክብሉ ከሲሶም። ኤርትራ'ውን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ትኣትው አላ ፈደራል መንግስቲ'ውን ስቕ ኢሉ ይርእይ ኣሎ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5\/5512024.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ድሕሪ ዘጋጠመ ህውከት ዝተአሰሩ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ዘለውዎ ቦታ ከፍልጥ ኣምንስቲ ጸዊዑ","content":"ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝተባህለ ዓለምለኸ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ተቓውሞን ናዕብን 29 ሰነ ዝኣሰሮም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ዘለውሉ ቦታ ከፍልጥ ጸዊዑ። ኣብ ኣዲስ ኣበባን ክልል ኦሮሚያን ፖሊስ ብውሕዱ 5,000 ሰባት ከምዝኣሰረ ዝገልጽ ኣምነስቲ፥ ብዙሓት ካብኦም ኣብ ዝተኣሰርዎ ከምዘይፍለጥን ምስ ፈተወትን ቤተሰብን ርክብ ከምዘይብሎምን ጠቒሱ። ካብ መንጎ`ቶም ዝተኣሰሩ ከም ኣቶ ጃዋር መሓመድን እስክንድር ነጋን ዝበሉ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ዝጠቐሰ ኣምነስቲ፥ መንግስቲ ብዛዕባ`ቶም ድሕሪ ቅትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ዝተኣስሩ ሰባት ሓበረታ ብዘይምሃቡ ኣብ ቤተሰቦም ጭንቀት የስዕብ ኣሎ ኢሉ። ከምኡ ኣገደስቲ ሰበ-ስልጣን ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ከም በዓል ሚካኤል ቦረን፥ ሺጉጥ ገለታ፥ ለሚ በንያ፥ ቀነሳ ኣያናን፥ ኮ\/ል ገመቹ ኣያናን ዝበሉ ኣበይ ከምዝኣተዉ ጠበቓታቶም ከምዘይፈልጡ ሓቢሩ`ሎ። ብኻልእ ወገን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል መንግስታዊ ኣካላት ብዘይኮኑ ኣካላት ዝተፈጸሙ ገበናት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ጌሩ ክወስዶ ከምዘይክእል ላዕላዋይ ኣጽናዓይ ኣምነስቲ ኣቶ ፍስሃ ተክለ ኣፍሊጡ። ንሱ ኣብ ዘርብኡ ከምኡ ዝበሉ ጉዳያት ብሕጊ-ታ ሃገር ዝርኣዩ ናይ ገበን ጉዳያት`ምበር ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ኣይኮኑን ኢሉ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%80%E1%88%A8%E1%89%A3-%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%A0%E1%88%B0%E1%88%A9-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%A8%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8D%E1%8B%8E-%E1%89%A6%E1%89%B3-%E1%8A%A8%E1%8D%8D%E1%88%8D%E1%8C%A5-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%89%B5%E1%88%B0%E1%8B%8A%E1%8B%91\/5510211.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ልዕሊ 100 ሰባት ተኣሲሮምና ክብሉ ቤተሰብን ኣባላት ኦነግን ኦፌኮን ገሊጾም","content":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኢትዮጵያ፥ ኣብ ከተማ ሆለታን ኣብ ዞባ ወለጋ ዞባ ሆሮ ጉዱሩን ብድምር ልዕሊ 100 ሰባት ተኣሲሮምና ክብሉ ቤተሰብን ኣባላት ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞን ግንባር ናጽነት ኦሮሞን ገሊጾም። ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ግን ዝተኣስሩ ሰባት ብዝገበርዎ ገበን`ምበር ንቕትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ኣብ ዘውግዝ ሰልፊ ብምስታፎም ኣይኮነን ዝብል መልሲ ሂቡ`ሎ። ወሃቢ ቃል-ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ኣቶ ጌታቸው ባልቻ፥ ድሕሪ ቅትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ኣብ ከተማታት ምዕራብ ወለጋ ጉድኣት እንተዘይወረደ`ኳ፥ ዕንወት ንምውራድ ኣብ ልዕሊ ዝፈተኑ ውልቀሰባት ናይ ማእሰርቲ ስጉምቲ ተወሲዱ`ሎ ኢሉ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5510167.html"} {"headline":"ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያን ደውታ ተላዘብቲ ወገናትን (2ይ ክፋል)","content":"ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ብደቡብ ኣፍሪካ መሪሕነት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ግብፅን ሱዳንን ይካየድ ዝነበረ ዝርርብ ብዘይስምምዕ ተበቲኑ እዩ።ኢትዮጵያ ምምላእ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ምጅማራ ፀብፃባት ይወፁ ኣብዘለውሉን ወጥሪ ኣብ ዝንህረሉ ዘሎን ናብዚ ሕልኽልኽ ዝኣተውናሉ እቲ ፖለቲካዊ መሪሕነት ናይ ሰብ ሙያ ምኽሪ ስለዘይሰምዐ እዩ ይብሉ ተንታኒ ሩባ ኣባይን ዓብይ ግድብ ህዳሴን ኣቶ ብርሃኑ በላቸው። ቀደሙ እውን ኣብ ኣሜሪካ፣ባንኪ ዓለምን ካልኦት ኣካላትን ኣብቲ ልዝብ ክኣትው ኣይነበሮምን ዝበሉ ኣቶ ብርሃኑ በላቸው እቲ ልዝብ ናብ ኣፍሪካ መፂኡ እናሃለወ እውን እዞም ኣካላት እዚኦም ብተዓዛባይነት ኣብቲ ልዝብ ይሳተፉ ከምዝነበሩ ይገልፁ። ‘’ስራሕና ጠጠው ክሳብ ዘየበልና ሕዚ እውን ድርድር ጉድኣትየብሉን’’ ይብሉ ኣቶ ብርሃኑ ኣስዒቦም። መምህር ዩኒቨርስቲ መቐለ ዝኾኑ ኣቶ ብርሃኑ በላቸው ኣብ ዩኒቨርስቲ ኮተቤ ን28 ዓመታት ሓዊሱ ብመምህርነት፣መፅናዕትን ምርምርን ንኣስታት 40 ዓመታት ኣብ ምግልጋል ይርከቡ። ምሉእ ድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/stalemate-of-negotiations-among-ethiopia-egypt-and-sudan-over-the-ethiopian-renaissance-dam-raises-tention-part-two\/5510090.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮም ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ዛዚሞም ናብ ሃገሮም ተመሊሶም","content":"ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ዘካየደ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ: ሕርሻዊ ልምዓት ዞባታት ደቡብን ጋሽ ባርካን ድሕሪ ምዕዛብን ፥ ማእከል ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ሳዋ ድሕሪ ምብጻሕን ናብ ሃገሩ ትማሊ ሰንበት ተመሊሱ`ሎ። ትማሊ ሰንበት ብቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኻት ኣብ ዞባጋሽ ባርካ ዝርከበ ዲጋ ከርከበት ድሕሪ ምብጻሕ`ዩ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሳዋ ኣብ ዝነበሮ ናይ ዕረፍቲ ጊዜ`ዩ ኣብ ስልጠና ንዝነበሩ መበል 33 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሳዋ ክዕዘብ ክኢሉ። ቀዳማይ ሚስንተር ኣቢይ ኣብቲ ናይ ኤርትራ ዑደቱ፥ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ክልቲኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ሰፊሕ ምይይጥ ምክያዶም መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ሓቢራ`ላ። ኣብቲ ርኽብ ክልቲኦም መራሕቲ ድሕሪ'ቲ ኣብ ሓምለ 2018 ዝተፈረመ ኣዋጅ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ዝተመዝገበ ምዕባለታትን ዘጋጠሙ ዕንቅፋታትን ብዝምልከት ተዘራሪቦም። ብተወሳኺ ክልቲኦም መራሕቲ ነቲ ዝዕወት ዘሎ ኹሉ ወገናዊ ዝኾነ ምትሕብባር ክልቲኦም ሃገራትን ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ዘለዎም ምትሕብባር ንምቅጻል ተሰማሚዖም። እቲ ብቀዳማይ ሚንስትር ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኻት ብቐዳም ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ዞባ ደቡብ ዝርከብ ናይ ሕርሻን ትሕተ ቅርጺ ፕሮጀክታትን `ውን ተዓዚቡ ኔሩ`ዩ ። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብ ክልቲኣውን ዞባውን ጉዳያት ምምይያጦም ዝገለጸ ናይ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ዜና ፋና ብወገኑ፥ ቀ\/ሚ ኣቢይ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ድሕሪ ምዝዛሙ ናብ ሃገሩ ምምላሱ ኣረጋጊጹ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%9E%E1%88%9D-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%8A%E1%88%B6%E1%88%9D-\/5510093.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተራኺቦም: ተዘራሪቦም","content":"ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ዘካየዱ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ:ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብምርኻብ ኣብ ክልቲኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ሰፊሕ ምይይጥ ምክያዶም መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ሓቢራ። ኣብቲ ርኽብ ክልቲኦም መራሕቲ ድሕሪ'ቲ ኣብ ሓምለ 2018 ዝተፈረመ ኣዋጅ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነት ዝተመዝገበ ምዕባለታትን ዘጋጠሙ ዕንቅፋታትን ብዝምልከት ተዘራሪቦም። ብተወሳኺ ክልቲኦም መራሕቲ ነቲ ዝዕወት ዘሎ ኹሉ ወገናዊ ዝኾነ ምትሕብባር ክልቲኦም ሃገራትን ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ዘለዎም ምትሕብባር ንምቅጻል ተሰማሚዖም። እቲ ብቀዳማይ ሚንስትር ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኻት ብቐዳም ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ዞባ ደቡብ ዝርከብ ናይ ሕርሻን ትሕተ ቅርጺ ፕሮጀክታትን ብምብጻሕ ተዓዚቦም። ትማሊ ሰንበት ድማ እቲ ብቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኻት ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ዝርከበ ዲጋ ከርከበት ድሕሪ ምብጻሕ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሳዋ ኣብ ዝነበሮም ናይ ዕረፍቲ ጊዜ ኣብ ናይ ምድላው ናይ መመረቕታ ስነ ስርዓት ንዝነበሩ መበል 33 ዙር ሃገራዊ ኣገልግሎት ሳዋ ተዓዚቦም። ቀዳማይ ሚንስትር ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ድሕሪ ምዝዛም ናብ ሃገሮም ተመሊሶም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/5508767.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: መንግስቲ ጡረታ ንዝወጹ አባላት ፓርቲን መንግስቲን ዝወሃቦም ዝነበረ ረብሓታት ምሕዳጉ ተገሊጹ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ብጡረታ ንዝወጹ ሰበስልጣን መንግስትን ፓርትን ተዋሂብዎም ዝነበረመንበሪ ገዝኦምን መኻይኖምን ከሕድጎም ምጅማሩ ይገለጽ ኣሎ። ጋዜጣታት ውሽጢ ሃገር ከም ዝሓበርኦ ካብ መንጎ ረብሓታት መንግስቲ ዝተኸልከሉ፡ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ኣቶ ስዩም መስፍን፥ ሚንስተር ንግድን ኢንዱስትሪን ዝነበረት ፈትለወርቅ ገብረዝግኣብሐር፥ ኣቶ ስብሓት ነጋ፥ ኣቶ ዘርኣይ ኣስገዶም ኣቶ ኣስመላሽ ኣባነፍሶ፥ ወ\/ሮ ኬርያ ኢብራሂም፥ ዶ\/ር ካሱ ኢላላ፥ ኣቶ ተድሮስ ሓጎስ ይርከብዎም። ሓላፊ ፕረስ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ብዛዕባ’ዚ ክገልጽ ከሎ፥ እቲ ጉዳይ ንኮርፖረሽን ኣባይቲ ዝምልከት ስለዝኾነ ኣብ ቀረባ መግለጺ ከምዝውሃበሉ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ`ሎ። እቲ ስጉምቲ ብመሰረት ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ቤት ምኽሪ ሚንስትራት ዘሕለፎ ውሳነ ዝትግበር ዘሎ ምዃኑ እተን ጋዜጣታት ሓቢረን ኣለዋ። ብመሰረት `ቲ ሓበረታ ኣቶ ስዩም መስፍን ኣቶ ስብሃት ነጋን ወ\/ሮ ፈትለወርቅን መንበሪኦም ኣብ ክልል ጌሮም እቲ ኣባይቲ ግን ናይ ቀረባ ኣዝማዶም ክጥቀምሉ ከምዝጸንሑ ተጠቒሱ`ሎ። ጋዜጣ ኣዲስ ፎርቹን ዘዘራረቦም ነባር ኣባል ሕወሓት ኣቶ ስብሓት ነጋ ብዛዕባ`ቲ ጉዳይ ተሓቲቶም ክምልሱ ከለዉ፥ ነቲ ገዛ ክሓድግዎ እኹል ግዜ ከምዘይተዋህቦም ተዛሪቦም ኣለዉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8C%A1%E1%88%A8%E1%89%B3-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%8C%B9-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%88%A8%E1%89%A5%E1%88%93%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%8C%89-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5505778.html"} {"headline":"ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ምርጫ ዘፈጽሙ ሓሙሽተ ኣባላት ኮሚሽን ምርጫ ከም ዝሸመ ኣፍሊጡ","content":"ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ኣብቲ ክልል ንዝካየድ ምርጫ ዘፈጽሙ ሓሙሽተ ኣባላት ኮሚሽን ምርጫ ሎሚ መዓልቲ ከም ዝሸመ ኣፍሊጡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8B%98%E1%8D%88%E1%8C%BD%E1%88%99-%E1%88%93%E1%88%99%E1%88%BD%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A8%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%88%B8%E1%88%98-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5505762.html"} {"headline":"ሃጫሉ ሁንዴሳ መን ቀተሎ? ዕጡቓት ኦነግን መንግስትን ነንሕድ ሕዶም ምክሳሶም ቀፂሎም ኣለው","content":"‘’ኣብ በረኻ ኮይኑ ንኢትዮጵያ ንምሕማስ ዝሰርሕ ጉጅለ ሽፍታ ንድምፃዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ቀታሊኡ ኣነ እየ ኢሉ ክኣምን ትፅቢት ኣይግበርን’’ ኢሎም ኣብ ኦሮሚያ ኣባል መሪሕነት ብልፅግና ፓርቲ ኣቶ ታየ ደንድኣ። \\nኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ኣዛዚ ክፋል ግንባር ነፃነት ኦሮሞ ሸኔ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ጃል መሮ ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣሎ ንዝብል ብመንግስቲ ዝቐረቦ ክሲ ነፂጉዎ።ጃል መሮ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ኩማ ድሪባ ምስ ቪኦኤ ኣብዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ንቅትለት ሃጫሉ ተሓታቲ መንግስቲ እዩ ኢሉ ኣሎ። ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣባል መሪሕነት ብልፅግና ፓርቲ ኣቶ ታየ ደንደኣ ንሬድዮ ድምፂ ኣሚሪካ ኣብዝ ሃቡዎ መግለፂ ኦነግ ሰላማዊያን ሰባት ይ ቐትል እዩ ኢሎም። ቅድሚ ሎሚ እውን ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ሰላማዊ ሰባት ከምዝተቐተለን ብፍላይ ድማ ኣብ ወለጋ ንብርክት ዝበሉ ሰላምዊ ዜጋታትን ሓላፍቲ መንግስትን ምቕታሎም ጥራሕ ከይኮነስ ንኻልኦት ንምፍርራሕ ሬስኦም ይጉተት ከምዝነበረ ነዚ ኹሉ ንሕና ኢና ገይርናዮ ኣይበሉን ኢሎም ኣቶ ታየደንድኣ። ‘’እዚ ኹሉ ንሕና ገይርናዮ ኣይበሉን።ምኽኒያቱ ነዚ ዝፍፅምዎ ዘለው ንዜጋታት ንምፍርራሕ፣ንዕኦም ዝነቅፍ ምስኦም ዘይተሰለፈ ምንባር ከምዘይኽእል ኣሚኑ፣ሰጊኡ ክግዝአሎም ንምግባር ከምዚ ዝበለ ተግባር ይፍፅሙ እዮም’’ኢሎም። ከምዚ ገይርና ኢና እንተዘይበሉ እውን ንሃጫሉ ከምዝቐተሉዎ መርኣያታት ኣለውና ዝበሉ ኣቶ ታየ ሃጫሉ ኦነግ ብቦሊየ ክመፅእ እዩ ኢለ ኣይግምትን ነይረ ብታንኪ ኣቢሉ ብወለጋን ባሌን እዩ ክመፅእ ዝብል ግምት ነይሩኒ ኢሉ ንሚዲያ ምስ ሃበ ኣብ ወፃኢ ዘለው ደገፍቲ ኦነግ ከምዝወፈርሉ ገሊፆም።’’የፈራርሕዎ መጠንቀቕታ ይህቡዎ ነይሮም’’ እውን ኢሎም። ልዕሊ ኩሉ ግን ኣነ እውን ኣብ ውሽጢ ኦነግ ስለዝነበርኩ ባህሪኦም ይፈልጦ እየ ንኦሮሞ ከቐይም ዝኽእል ፀርፊ ብምፅሓፍ ነፈጠኛ ፀሪፉና ብዝብል ፕሮፕጋንዳ ይሰርምሑ ምንባሮም ከምዝፈልጡ ሓቢሮም። ቅድሚ ሎሚ ኣካይዳኹም ኣዐሪዩ ኢሎም ንዝተዛረቡዎም ኣባላቶም ከይተረፈ ከምዝቐተሉን ግን ቀቲልናዮም ከምዘይብሉን ኣቶ ታየ ወሲኾም ገሊፆም። ባዕሎም ይፈልጡ፣ኣባላት ይፈልጡ ህዝቢ እውን ይፈልጥ እዩ ኢሎም። ‘’ምስ ናይ ሃጫሉ ቅትለ ዝተኣሳሰሩ ነገራት ብምርመራ ዝተረኸቡ ነገራት ኣለው።ቀፃሊ ምርመራ እውን ይካየድ እዩ ዘሎ።ሕድ ሕድ ብጭቡጥ ውፅኢቱ ብሕብረተሰብ ክፍለጥ ነዊሕ ግዜ ኣይኸውንን እዮም ዝበሉ። ብቕፅል ሽሙ ጃል መሮ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ኩምሳ ድሪባ ኣብ ዕጥቓዊ ቓልሲ ናይ ዝርከብ ሰራዊ ነፃነት ኦሮሞ ኣዛዚ ዞባ ምዕራብ ከምዝኾነ ዝንገረሉ ምስ ድምፂ ኣመሬካ ኣብዝካየደ ቃለ ምልልስ ንቕትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ኮነ ኣብዝተፈላለዩ ከባቢታት ንዝተፈፀሙ መጥቓዕትታት ተሓታቲ ከምዘይኮነ ገሊፁ ኣሎ። ጃል መሮ ኣተሓሒዙ ድምፃዊ ሃጫሉ ኣብ ስልጣን ካብ ዘለው መራሕቲ ንላዕሊ ንሰራዊት ኦሮሞ ዝቐረበ ከምዝነበረ ብምግላፅ ተቓውሞ እንተዝህልዎ እውን ንዕኡ ንቐትለሉ ዋላ ሓደ ምኽኒያት የለን ኢሉ። ‘’ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተቐተለ ብሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ ኣይኮነን።ሰራዊት ነፃነር ኦሮሞ ንሃጫሉ ኣይቀትልን’’ ኢሉ።ንሕና ንዋጋእ ዘለና ተዓጢቑ ይንቀሳቐስ ምስ ዘሎ፣ንሕና ኣብ እንቀሳቐሰሉ ከባቢ ንሰላማዊ ዜጋታት ዝቐትል ወታደራዊ ሓይሊ ወታደራዊ ግጥም ኢና ነካይድ ዘለና ኢሉ ብምውሳኽ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-government-and-rebel-forces-oromo-libration-forces-are-accusing-each-other-on-the-killing-of-artist-hachalu-hundesa\/5505770.html"} {"headline":"ግብጺ:ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ኣመላልኣ ማይ ግድብ ህዳሴ ከካይዶ ዝጸንሓ ልዝብ ብዘይፍረ ተበቲኑ","content":"ህዳሴ ግድብ ኢትዮጵያ ምምላእ ማይ ምጅማሩ ጸብጻባት ሚድያ ይሕብሩ`ለዉ። መንግስቲ ዛጊት ነቲ ምምላእ ማይ ዝብል ወረ ኣይነጸጎን ወይ ኣየረጋገጾን። ሚንስተር ማይን መስኖን ኢትዮጵያ ስለሺ በቀለ ኣብ ዝለኣኾ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ግን፥ ዋሕዚ ክረምታዊ ማይ ካብቲ ተፈጥሮኣዊ ደረጃ ግድብ ንላዕሊ ይዓቁር ከምዘሎ ኣፍሊጡ ኔሩ። ግብጺ ሱዳንን ኢትዮጵያን ከካይድኦ ዝቐነያ ልዝብ ኣብ ጉዳይ ኣመላልኣ ማይ ብዘይስምምዕ ተፈላልየን። እንተኾነ ኣብቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝሽምገል ዘሎ ልዝብ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ኣብ ገለ ተክኒካዊ ጉዳያት ኣብ ስምምዕ በጺሐን ኣለዋ- ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%8C%BA-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%8B%E1%88%8D%E1%8A%A3-%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%8A%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%93-%E1%88%8D%E1%8B%9D%E1%89%A5-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8D%8D%E1%88%A8-%E1%89%B0%E1%89%A0%E1%89%B2%E1%8A%91\/5505749.html"} {"headline":"መራሒ ኦነግ ሸኔ ውድቡ ንቕትለት ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ተሓታቲ ከምዘይኮነ ገሊጹ","content":"ኣዛዚ`ቲ ሸኔ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዕጡቕ ክፋል ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፥ ብድሕሪ ቅትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣሎ ንዝብል ብመንግስቲ ዝቐረቦ ክሲ ነጺግዎ። ኩማ ዲሪባ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፥ ንቕትለት ሃጫሉ ተሓታቲ መንግስቲ`ዩ ኢሉ። ብኻልእ ወገን `ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ` ዝተባህለ ፓርቲ፥ ነቲ ለንቅነ ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ መጥቃዕትታት ብምኹናን፥ መንግስቲ ንዜጋታት ንምሕላው እኹል ጻዕርታት ክገብር ጸዊዑ። ብቕጽል ሽሙ ጃል መሮ ተባሂሉ`ዩ ዝጽዋዕ-ኩምሳ ድሪባ: ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ናይ ዝርከብ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፥ ኣዛዚ ዞባ ምዕራብ ከም ዝኾነ ይንገረሉ። ኩምሳ ድሪባ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ ብድሕሪ ቅትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣሎ ንዝብል ብመንግስቲ ዝቐረቦ ክሲ ብምንጻግ ንቕትለት ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኮነ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ንዝተፈጸመ መጥቃዕትታት ተሓታቲ ከም ዘይኮነ ገሊጹ`ሎ- ። ጃል መሮ ኣተሓሒዙ ድምጻዊ ሃጫሉ ኣብ ስልጣን ካብ ዘለዉ መራሕቲ ንላዕሊ ምስ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ዝቐረበ ከም ዝነበረ ድሕሪ ምግላጽ፥ \"ተቓውሞ እንተዝነብሮ ከማን ንዕኡ ክንቀትለሉ ንኽእል ወላ ሓደ ምኽንያት የለን\" ኢሉ። ኣተሓሒዙ \"ብረት ምስ ዝዓጠቐ ሓይሊ ኣብ ኩናት እንተሃለና`ውን ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ዜጋታት ፍጹም መጥቃዕቲ ኣይንፍጽምን ኢና\" ኢሉ። ንሰለማውያን ሰባት ካብ መጥቃዕቲ ናይ ምክልኻል ተግባር ድማ ድማ ናይ መንግስቲ`ዩ ኢሉ- እዚ ኣዛዚ ሰራዊት ሸኔ ዞባ ምዕራብ ኢትዮጵያ ምዃኑ ዝንገረሉ ጃል መሮ። ጠቕላሊት ዓቃቢት ሕጊ ኢትዮጵያ ወ\/ሮ ኣዳነች ኣበቤ ትማሊ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃበቶ ቃለ-መጠይቕ፥ \"ምስ ቅትለት ሃጫሉ ብዝተሓሓዝ ኣብ ገበን ተሳቲፎም ኢልና ንምእማን ንምጥርጣር ዘኽእለና ብቑዕ መረዳእታ ኣብ ኢድና ሒዝና'ለና።መብዛሕቲኦም ኢድ ብኢድ ዝሓዝናዮም መረዳእታታት'ዮም።ብተክኖሎጂ ተጠቒምና ዝሓዝናዮም ሰነዳት'ውን ኣለዉና። ናይ ሰባት ናይ ዓይኒ ምስክራት'ውን ሒዝና'ለና።\" ብምባል ተጠርጠርቲ ቅትለት ሃጫሉ ካብ ዕጡቓት ሸኔ ምዃኖም ብኸምዚ ዝስዕብ ሓቢራ ኔራ። \" ካብ ተለፎን ሃጫሉ ዝረኸብናዮ ተወሳኺ መረዳእታ ኣሎ ፡እዚ ናይ ቅትለት መፈራርሒ ክኸውን ከሎ፡ ብቐጥታ \"ኣነ ናይ ኦነግ ሸኔ ተዋጋኣይ እየ፡\"ዝብል መፈራርሒ'ዩ። ድሕሪኡ፡ ሃጫሉ ኣብ OMN ቀሪቡ ዝበሎን ዝተባህሎን ናይ ተክስሰትን ድምጽን በየናይ ስልክን ዝብሉ ኩሎም ኣብ ኢድና ኣለዉ። ንሱ'ውን ብህይወት ከሎ ንመሰኻኽርና ዝነግሮም ዝነበረ፡ ከምኦም ዝበሉ ምፍርራሓት ካብ መን ይመጽዎ ከም ዝነበሩ፡ ካብኡ ሓሊፉ'ውን እንተሞይተ ብኦነግ ሸኔ'የ ዝመውት ኢሉ ይዛረብ ከም ዝነበረን ይገልጽ ኔሩ'ዩ። ካልኣይ ድማ ምስ ሕወሓት ኣብ መሪር ነገር ከምዝነበረን፡ እንተሞይተ፡ እናበለ ይዛረብ ከም ዝነበረን ዝገልጹ ምስክራት ቃሎም ሂቦም ኣለዉ። ንሕና ግን ብዋናነት ተኲሰ ዝቐተልኩ እወ ኣነ'የ ዝበለ ምስ ብረቱ ሒዝና'ለና። ካልኣይ ድማ ምስ ሃጫሉ ዝነበረት ሰበይቲ፡ ነቲ ቀታሊ ብመልክዑ ኣላልያ እቲ ሰብ ንሱ ምዃኑ ናይ ምስክርነት ቃላ ሂባ'ያ፡ ስለዚ ነዞም ጭብጥታት ሒዝና ኢና ንህዝብና ክንሕብር ዝደለና\"። ኣዛዚ ሸኔ ዞባ ምዕራብ ጃል መሮ ግን ንሕና ኣይቀተልናን ኢሉ`ሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመሮ ምስ ህወሓት ብምትሕብባር ከምኡ`ውን ምስ ግብጺ ብምትሕብባር ንኢትዮጵያ ብምህዋኽን፥ ግድብ ህዳሴ ንከይመልእ ውዲት ብምፍሓስን`ውን ይኸሶ`ዩ። ​ብኻልእ ዝተኣሳሰር ዜና፥ኣብ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐስ ብበዓል ዶ\/ር ብርሃኑ ነጋ ዝምራሕ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ-ኢዜማ ዝተባህለ ፓርቲ ሎሚ ረቡዕ ብዛዕባ'ዚ ናይ ለንቅነ ህውከት ኣመልኪቱ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቡ ኔሩ። መራሕቲ ኢዜማ ኣብ መግለጺኦም ነቲ መጥቃዕቲ ብምኹናን፥ መንግስቲ ንዜጋታት ኣብ ምሕላው ኣድላዪ ዘበለ ስጉምትታት ብዘይምውሳድ ነቒፎም ኣለዉ። ሓይልታት ጸጥታ ልዕሊ ኹሉ ቀዳምነት ክህብዎ ዝግባእ ትዕግስቲ ዘይኮነስ ናይ ሃገርን ህዝብን ሰላምን ድሕነትን ካብ መጥቃዕቲ ምሕላው`ዩ ዝበለ ዶ\/ር ብርሃኑ ነጋ፥ ኣብዛ ሃገር ብተደጋጋሚ ናይ ፖለቲካ ሽፋን እናተዋህቦም ዝተላዕሉ ህውከታት ንምቁጽጻር መንግስቲ ሓላፍነቱ`ዩ ኢሉ። ኣተሓሒዙ ብሽም ናጽነት ፕረስ ብማሕበራዊ ሚድያ ዝፍኖ መልእኽትታት ልዕሊ ህይወት ኣይኮነን ኢሉ፥- \" ሚድያ ዝሰርሖ ባህሊ ኣሎ። ሎሚ ኮፍ ኢልና እንተርኢናዮ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ምምጻእን ክትቆጻጸሮ ዘይምኽኣልን ኣብ ዓለምና ዝፈጥሮ ዘሎ ትርምስ ልዑል`ዩ። እዚ ናይ ኢትዮጵያ ጥራይ ጸገም ኣይኮነን፣ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ናይ ምዝራብ ናጽነት ሓበረታ ናይ ምርካብ ናጽነት ዝበሉ ነገራት ካብ ህይወት ሰብ ኣይበልጹን`ዮም።\" መራሕቲ ኢዜማ ዶ\/ር ብርሃነ ነጋን ኣቶ የሺዋስ ኣሰፋን ብተወሳኺ፥ መንግስቲ ኣብታ ሃገር ስርዓተ-ሕጊ ክኽበር ስቕታ መሪጹ ብምጽንሑ ይቕረታ ክብል ኣለዎ ኢሎም። ኣተሓሒዞም ኢትዮጵያውያን ውሽጣዊ ፍልልያቶም ንምፍታሕ ንዘመናት ክጥቀምሉ ዝጸንሑ ባህላውን ልማዳውን ኣገባብ ዕርቂ መታን ክጥቀሙ ክበራትዑን ንምሕያሎም ክስራሕን ይግባእ ዝብል መጸዋዕታ ኣመሓላሊፎም ኣለዉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%92-%E1%8A%A6%E1%8A%90%E1%8C%8D-%E1%88%B8%E1%8A%94-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A1-%E1%8A%95%E1%89%95%E1%89%B5%E1%88%88%E1%89%B5-%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BB%E1%8B%8A-%E1%88%83%E1%8C%AB%E1%88%89-%E1%88%81%E1%8A%95%E1%8B%B4%E1%88%B3-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%B3%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8A%AE%E1%8A%90-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5505536.html"} {"headline":"ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ማይ ምምላእ ምጅማሩ ይግለጽ ኣሎ","content":"ዓብይ ግድብ ህዳሴ ማይ ምምላእ ምጅማሩ ንመራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ዘረጋገፁ ናይ ኢትዮጵያ ማይ፣መስኖን ኢነርጂን ሚንስትር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ ይውህለል ዘሎ ማይ ናይቲ ህንፀት ናይ ተፈጥሮ ኩነት ዝሓለወ ምዃኑ ኣፍሊጦም። \"እቶም ሚንስትር ገሊፆምለይ’’ ክብል ኣገልግሎት ዜና ኣሶሼትድ ፕረስ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ እቲ ኣብ ግድብ ይመልእ ዘሎ ይዘንብ ብዘሎ ከቢድ ዝናብ ናብቲ ሩባ ዝኣትው ማይ እዩ ኢሎም። ኣብዚ ስዓት ምምላእ ግድብ ብዝምልከት ብሳተላይት ዝርኣዩ ዘለው ምስልታት ትኽክለኛ ምዃኖም እቶም ሚንስትር ገሊፆም ኣለው። ኢትዮጵያ ተካይዶ ዘላ ልዝብ ንረብሓ ናይ ሎሚ ወለዶ ጥራሕ ዘይኮነስ ንመፃኢ ወለዶ ረብሓ ዝሕሉ ከምዝኾነ ኢንጂነር ስለሺ ገሊፆም። ኣብ ዙሪያ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ፣ሱዳንን ግብፅን ሓዊሱ ካብ ኬንያ፣ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ማሊ፣ማዳጋስካርን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝተዋፅኡ 11 ሰብ ሞያ ዝተሳተፍሉ ኣኼባ ተኻይዱ ኣብ ዝተወሰኑ ነጥብታት ምርድዳእ ምብፅሑ ምሕባሮም ናይ ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖረሽን ፀብፂቡ ኣሎ። ናይ ሱዳን ሚንስትር መስኖ ኣል ዳይም ኣብ ዝተባህለ መደብር ኣብ መዓልቲ ናይ 90 ሚሊዮን ኩቢክ ሜትር ማይ ከምዝነከየ ብምግላፀ ናይቲ ግድብ በርታት ምዕፃዎም ዘረጋግፅ እዩ ኢሉ። እዚ ጉዳይ ብተወሳኺ ሱዳን ኣብ ስምምዕ ንምብፃሕ ፃዕርታት ኣብዝቐፀለሉ ዝውሰድ ብሕታዊ ስጉምቲ ከም እትነፅጎ እቶም ናይ ሱዳን ሚንስትር ገሊፆም።እዚ ጉዳይ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝለዓለ ወጥሪ ዘእተወን ገሊኦም ናብ ወታደራዊ ረፅሚ ከየምርሕ ዝሰግእሉን ኮይኑ ካይሮ ብቅፅበት መብርሂ ክውሃባ ሓቲታ ኣላ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%8A%A5-%E1%88%9D%E1%8C%85%E1%88%9B%E1%88%A9-%E1%8B%AD%E1%8C%8D%E1%88%8D%E1%8C%BD-%E1%8A%A3%E1%88%8E\/5504406.html"} {"headline":"ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ብህይወት ከሎ፥ናይ ስልክን ናይ ጽሑፍ መልእኽቲን መፈራርሒ ይበጽሖ ከም ዝነበረን ጠቕላሊት ዓቃቢት ሕጊ ኢትዮጵያ ገሊጸን","content":"ጠቕላሊት ዓቃቢት ሕጊ ኢትዮጵያ ወ\/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ብህይወት ከሎ፥ ናይ ስልክን ናይ ጽሑፍ መልእኽቲን መፈራርሒ ይበጽሖ ከም ዝነበረን፥ `እንተሞይተ ብኦነግ ሸኔ`የዝመውት` ይብል ከም ዝነበረ፥ ከምኡ`ውን ምስ ህወሓት ኣብ መሪር ኩነታት ከምዝነበረ ናይ ድምጽንናይ ሰብን ጭብጥታት ረኺብና`ለና ኢላ። ምስ`ቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ብዝትሓሓዝ፥ ናይ ሰብን ናይ ማተሪያላትን መራጋገጺ ሰነዳት ሒዝና'ለናዝበለት ወ\/ሮ ኣዳነች፥ ንተጠርጠርቲ'ውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእቲና እቲ ገበን ተፈጺምሉ ዝተባህለብረት'ውን ኣብ ኢድና ሒዝና እቲ መርመራ ቀጺሉ'ሎ ኢላ። ዓቃቢት ሕጊ ኣዳነች ኣቤቤ፥ እቲ ጉዳይ ነቶም ቕጥታ ኣብቲ ቅትለት ንዝተሳተፉ ጥራይ ዝምልከትስለዘይኮነ ምስቲ ቕትለት ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ተሳትፎ ይህልዎም'ዩ ዝተባህሉ ብድምር 18 ሰባት ኣብትሕቲ ቀይዲ ኣእቲና መርመራና ቀጺልና ኣለና ትብል። እቲ ስጉምቲ ካብ ፖለቲካዊ ጣልቃ ናጻ ንክኸውንን ምስ ሕገመንግስታውን ዓለምለኻውን ሕግታትምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ንኸይጋጮን እንታይ ዓይነት ጥንቃቐ ይግበር ኣሎ ንዝብል ሕቶ ድማ ብኸምዚዝስዕብ ትምልስ፥ \" ኣብ ዝኾነት ሃገር ፥ ሓደ ገበን ክፍጸም ከሎ ሃገራት በቲ ዘለወን ትካላት'የን ዝኸዳ ፡ኢትዮጵያ ድማሕጋዊ ትካላት ኣለዉዋ፡ ዓቃቢ ሕጊ ኣለዋ፡ፖሊስ ኣለዋ፡ቤት ፍርዲ ኣለዋ ስለዚ ሕጊ ኣለዋ ማለት'ዩ።ሕቶ ክመጽእ እንተኾይኑ ካብዚ ስርዓተ ሕጊ ወጻኢ ዲና ወይስ በቲ ሕጊ ኢና ንኸይድ ዘለና ዝብል'ዩዝኸውን፡ ስለዚ ንሕና በቲ፥ ስርዓተ-ሕጊ'ዛ ሃገር ዝሃበና ሓላፍነት ዓቃቢ ሕጊ ፖሊስ ቤትፍርዲንተጠቒምና ኢና ንሰርሕ ዘለና።ካልኦት ከም ኣባላት ድሕነት ዝበሉ ክሕግዙና ይኽእሉ'ምበር ብቐጥታ ኣብስራሕና ኣይሳተፉን'ዮም። ንሕና ኣቀዲሙ ብዝወጸ ናይ ገበናት ሕግን ስነስርዓትን ኢና ንሰርሕ።ስለዚ ሕጊተኸቲልና ኢና ንሰርሕ ዘለና።\" ኣቶ ጃዋር መሓመድ ኣቶ በቀለ ገርባ ኣቶ እስክንድር ነጋ፡ ኣብ ቀይዲ ከም ዘለዉ ይፍለጥ'ዩ’ሞ፡ ጉዳዮምመርመርኦም ኣብ ምንታይ ደረጃ ይርከብ፡ እዞም ውልቀሰባት ብናይ ሓባር ስራሕ ድዮም ወይስ በብናቶምገበን ተጠርጢሮም'ዮም ጉዳዮም ዝርኣይ ዘሎ፡ ካብ ተፈላጥነቶም ወጻኢ`ኸ ዓቃቢ ሕጊ እኹል መረዳእታኣለኒ ኢሉ ይኣምን'ዶ ዝብል ሕቶ'ውን ቀሪቡላ ኔሩ: ንሳ ክትምልስ ከላ \"ብልክዕ፡ ንሕና ከም ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ገበን ተሳቲፎም ኢልና ንምእማን ንምጥርጣር ዘኽእለና ብቑዕ መረዳእታ ኣብ ኢድና ሒዝና'ለና።መብዛሕቲኦም ኢድ ብኢድ ዝሓዝናዮምመረዳእታታት'ዮም።ብተክኖሎጂ ተጠቒምና ዝሓዝናዮም ሰነዳት'ውን ኣለዉና። ናይ ሰባት ናይ ዓይኒምስክራት'ውን ሒዝና'ለና\" ኢላ። ኣስዒባ ጠቕላሊት ዓቃቢት ሕጊ ኢትዮጵያድሕሪ ሞት ኣርቲስት ሃጫሉ ኣብ ህይወት ሰብን ንብረትንብዙሕ ጉድኣት ወሪዱ'ዩ፡ ስለዚ ኣብዚ ጉድኣት’ዚ ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ተሳትፎኦም ዘርኢመረዳእታታት ኣብ ኢድና ኣሎ ኢላ ።\" ካብ ተለፎን ሃጫሉ ዝረኸብናዮ ተወሳኺ መረዳእታ ኣሎ ፡እዚ ናይ ቅትለት መፈራርሒ ክኸውን ከሎ፡ብቐጥታ \"ኣነ ናይ ኦነግ ሸኔ ተዋጋኣይ እየ፡\"ዝብል መፈራርሒ'ዩ። ድሕሪኡ፡ ሃጫሉ ኣብ OMN ቀሪቡዝበሎን ዝተባህሎን ናይ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲን ድምጽን በየናይ ስልክን ዝብሉ ኩሎም ኣብ ኢድናኣለዉ። ንሱ'ውን ብህይወት ከሎ ንመሰኻኽርና ዝነግሮም ዝነበረ፡ ከምኦም ዝበሉ ምፍርራሓት ካብ መንይመጽዎ ከም ዝነበሩ፡ ካብኡ ሓሊፉ'ውን እንተሞይተ ብኦነግ ሸኔ'የ ዝመውት ኢሉ ይዛረብ ከም ዝነበረንይገልጽ ኔሩ'ዩ። ካልኣይ ድማ ምስ ሕወሓት ኣብ መሪር ነገር ከምዝነበረን፡ እንተሞይተ፡ እናበለ ይዛረብ ከም ዝነበረንዝገልጹ ምስክራት ቃሎም ሂቦም ኣለዉ። ንሕና ግን ብዋናነት ተኲሰ ዝቐተልኩ እወ ኣነ'የ ዝበለ ምስብረቱ ሒዝና'ለና። ካልኣይ ድማ ምስ ሃጫሉ ዝነበረት ሰበይቲ፡ ነቲ ቀታሊ ብመልክዑ ኣላልያ እቲ ሰብንሱ ምዃኑ ናይ ምስክርነት ቃላ ሂባ'ያ፡ ስለዚ ነዞም ጭብጥታት ሒዝና ኢና ንህዝብና ክንሕብር ዝደለና\"። ጠቕላሊት ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተኸሰስቲ ዝውሃብ ፍትሒ ከይተደናጎየ ብቕልጡፍ ክውሃብኣለዎ ንዝብል ጉዳይ ክትገልጽ ከላ ድማ፥ \"ፍትሒ ቀልጢፍካ ንምሃብ ዝምልከት ሓቂ'ዩ፡ ፍትሒ ኣብግቡእ ግዜ ክውሃብ ኣለዎ ክጉተት የብሉን።ኣብ ሃገርና ክመሓየሹ ዘለዎም ዘጓትቱ ብዙሓት ነገራትኣለዉ።ኣብኡ ብብቕዓት ክንሰርሕ ከምዘለና እኣምን'የ፡ ቤት ጽሕፈተይ'ውን ከምኡ'ዩ ዝኣምን።ለውጢክነምጽእ ኢና ኢለ'የ ዝኣምን። ነገር ግን ኣብ ሃገርና ዝፍጸሙ ዓበይቲ ገበናት ነናይ ባዕሎም ምኽንያትኣለዎም\" ኢላ። ኣስዒባ ኣብ ጉዳይ ሰነ 16፡ ቀደም ሓላፊ ስለያን ድሕነትን ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋተታሒዙ ናብ ፍርዲ ክቐርብ ኣለዎ ኢሉ ቤት ፍርዲ ብምእዛዙ፡ ንዕኡ ንምሓዝ ብዙሕ ጻዕሪ ተኻይዱ'ዩ፡ግን ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ናይ ምሕባእ ኩነታት ስለዘሎ፡ብሰለማዊ መንገዲ እንተዘይተታሒዙ፡ምትዃስ'ዩክመጽእ፡ ንሓደ ሰብ ንምሓዝ ኢልካ ድማ ተወሳኺ ናይ ካልእ ሰብ ህይወት ምጥፋእ ከስዕብ የብለይን ብዝብል ዓቃቢ ሕጊ መከራኸሪ ኣቕሪቡ ኣብዚ ሰዓት’ዚ ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ ኣብ ዘይተረኸበሉ ናብ ቤትፍርዲ ምኻድ ዝብል'ዩ ዘሎ፡ ካልኦት ዝተታሕዙ ሓሙሽተ ሰባት ቀሪቦም ናይ መከላኸሊ ምስክራቶምከይተረፈ ኣቕሪቦም ወዲኦም ውሳነ ዝጽበ ዘሎ'ዩ፡\" ዝበለት ወ\/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ ናይ ሰነ 15 ናይ በዓልጀነራል ሰዓረ ቅትለት ጉዳይ'ውን ቀታሊ ዝተባህለ ሕክምንኡ ክሳብ ዝውድእ ተደናጉዩ ሕጂ ግን ቤትፍርዲ ቀሪቡ'ሎ፡ ከምኡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝነበረ ቅትለት ናይ በዓል ዶ\/ር ኣንባቸው 'ውን ተራገበን ስለዘይኮነ እቲ መስርሕ ቀሊል ኣይነበረን።ከምኡ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ድማ ናይ ኮሮናቫይረስ ዕንቅፋት ኣጋጢሙና'ዩ፡ ሕጂ ግን ብተክኖሎጂ ማለት ብቪርቹዋል መስርሕ ቤት ፍርዲ ዝተጀመረሉ ኩነታት'ዩዘሎ ኢላ። ኣብዚ መስርሕ ፍርዲ ቅትለት ሃጫሉ ግን ብዝክኣል መጠን ነቀላጥፎ ኣለና፡ ናይ በዓል ኣቶ ጃዋር'ውንብዙሕ መረዳእታታት ኣኪብና ኣለና፡ ናይ በዓል ኣቶ እስክንድር'ውን ናይ ሰባት ምስክርን ሰነዳትንኣኻኺብና ኣለና፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ክሲ ንኣትወሉ ኩነታት ኣሎ። ኣብ ኦሮሚያ ዝተፈጸሙ ገበናትድማ ጉጅለታት ኣቑምና ናይ ምጽራይን መርመራን ስራሕና ቀጺልና ኣለና። ጭብጥታቶም ሒዞም ምስመጹ ናብ ክሲ ንኣትወሉ'ዩ ዝኸውን ኢላ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%88%B5%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%AB%E1%88%89-%E1%88%81%E1%8A%95%E1%8B%B4%E1%88%B3-%E1%89%A5%E1%88%85%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%8E-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8A%AD%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8C%BD%E1%88%91%E1%8D%8D-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8D%88%E1%88%AB%E1%88%AD%E1%88%92-%E1%8B%AD%E1%89%A0%E1%8C%BD%E1%88%96-%E1%8A%A8%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%8A%95-%E1%8C%A0%E1%89%95%E1%88%8B%E1%88%8A%E1%89%B5-%E1%8B%93%E1%89%83%E1%89%A2%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B8%E1%8A%95\/5502882.html"} {"headline":"ህወሓት :ዝተዓፀዉ ማዕኸናት ዜና ክኽፈቱ: ኣገልግሎት ኢንተርኔት ክጅምር ዝተኣሰሩ ፖለቲከኛታት ይፈትሑ ክብል ፀዊዑ","content":"ህወሓት ዝተዓፀዉ ማዕኸናት ዜና ክኽፈቱ: ኣገልግሎት ኢንተርኔት ክጅምር ብተወሳኺ እውን ዝተኣሰሩ ፖለቲከኛታት ይፈትሑ ክብል ፀዊዑ:: ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ህወሓት ሎሚ ሶሉስ ኣማስዩ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲከኛታት ይእሰሩ ኣለዉ ብምባልተቓውምኡ ገሊፁ:: እቲ ውድብ ንመንግስቲ ፌደራል ብተደጋጋሚ መንግስቲ አብዪ አሕመድ ብምባል ዝገለፆ ኮይኑ: መንግስቲ ንውልቀ መላኻዊ ፕሮጀክቱዕንቅፋት ይኾኑ እዮም ኢሉ ዝኣመነሎም ይኣስር: ይዕፍንን ይርብሽን ኣሎ እዚ’ውን አሓይሉ ይቕፅል ኣሎ ብምባል ከሲሱ:: እቲ ከይዲ ግብረሽበራዊ ተግባር እዩ ብምባል ዝኸሰሰ መግለፂ ህወሓት ሰላማዊ: ሕጋውን ፓለቲካዊ ቃልሲ ሙሉእ ብሙሉእ ዕፅው ክኸውን የኽእሉ እዮም ዝበሎም ስጉምትታት ይወስድ ኣሎ ኢሉ:: ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣመራርሓን ኣባላትን ህወሓት ይዕፈኑ ኣለዉ ዝበለ እቲ መግለፂ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ፍሉይ ዞባ ኣዲስ ኣበባንኣባል ማእከላዊ ኮሚቴ እቲ ውድብን ኣይተ ተወልደ ገብረፃድቃን ብተወሳኺ: ላዕለዋይ ኣመራርሓ ህወሓት ኣይተ ተስፋኣለም ይሕደጎንካልኦት ሰባት ተዓፊኖም ተወሲዶም ብምባል ከሲሱ:: እዚ ከይዲ ዓፈና ጠጠው ክብል ኣለዎ ዝበለ ህወሓት ዝተዓፀዉ ማዕኸናት ዜና ክኽፈቱ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ክጅምር ብተወሳኺእውን ዝተኣሰሩ ፖለቲከኛታት ይፈትሑ ክብል ኣተሓሳሲቡ:: ሃገር ካብ ምፍራስ ንምድሓን ኩሉ ዘሳተፈ ሃገርለኸ መድረክ ክካየድ ይግባእ ድማ ኢሉ:: ብኻልእ ዜና ብደረጃ ክልል ትግራይ ንዝካየድ ምርጫ ዝመርሑ ኣባላት ኮምሽን ምርጫ ብስልኪ ጥቆማ ክወሃብ ምጽንሑ ኣካቢ ኮሚቴምልመላ ኣመራርሓ ኮምሽን ምርጫ ክልል ትግራይ መምህር ኣሰፋ ገብረስላሴ ጥቆማ ሎሚ ቅድሚ ቕትሪ ምዝዛሙ ሓቢሮም ኣለው:: መምህር ኣሰፋ በዚ ድማ 750 ሰባት ብጥቆማ ከምዝተቐበሉ ገሊፆም:: ካብዚኦም እቶም 10 ሰባት መሪፆም ንርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልልከምዘቕርቡ ሓቢሮም:: ሽም እቶም 10 ሰባት ኣብ ማዕኸናት ዜና ክቐርብን ህዝቢ ድማ ርእይትኡ ክህበሉ እዩ ኢሎም:: ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ምስ መራሕቲ ውድባት ፖለቲካ ፅባሕ ድሕሪ ቕትሪ ኣብ ጉዳይ እቶም ሕፁያት ክዝትዩ እዩም ዝበሉመምህር አሰፋ ኣብ መወዳእታ 5 አመራርሓ ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ቤት ምኽሪ ቕሪቦም መዝነቶም ክቕበሉ’ዮም ክብሉ ገሊፆም:: ከም ሓበሬታ እቶም ኣካቢ ቦርድ እቲ ቤት ምኽሪ ድሕሪ ፅባሕ ሓሙስ ተኣኪቡ ኣመራርሓ ኮምሽን ምርጫ ክምዝዝ እዩ:: ኣብ ጉዳይ ምርጫ ካብ ኣመራርሓ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ምላሽ ንምርካብ ብተደጋጋሚ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን:: እንተኾነ ግን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብዛ ሃገር ኣብ ዝኾነ ከባቢ ዝካየድ ዝኾነ ዓይነት ምርጫ ከፈፅም ስልጣን ዝተውሃቦ ንሃገራዊ ቦርድ ጥራሕ እዩ ካብዚ ወፃኢ ዝኾነ ዓይነት ከይዲ ዘይሕገመንግስታዊ ብምባል ክቓወም ምጽንሑ ይፍለጥ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8D%80%E1%8B%89-%E1%88%9B%E1%8B%95%E1%8A%B8%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8B%9C%E1%8A%93-%E1%8A%AD%E1%8A%BD%E1%8D%88%E1%89%B1-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%8A%94%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8C%85%E1%88%9D%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%A3%E1%88%B0%E1%88%A9-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%A8%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8D%88%E1%89%B5%E1%88%91-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8D%80%E1%8B%8A%E1%8B%91\/5502875.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ኣመራርሓ ብልጽግና ፓርቲ ህዝብታት ደቡብ ኢትዮጵያ ተራኺቦም:ተዘራሪቦም","content":"ቀ ዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣዋሳ ተረኺቡ- ምስ ኣባላት ኣመራርሓ ብልጽግና ፓርቲ ዘተ ኣካይዱ ። ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ክልልን ፈደራል መንግስትን ምስ ዝርከቡ ሰበ ስልጣን ኣብ ዝተዘራረብሉ እዋን ሕቶ ህዝብታት ደቡብ ሕቶ እምበር ንሃገር ኣብ ሕቶ ዘእትው ወይ ሃገር ዘፍርስ ኣይኮነን ኢሎም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%AD%E1%88%93-%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%8C%BD%E1%8C%8D%E1%8A%93-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D-\/5501267.html"} {"headline":"ብቕትለት ህቡብ ድምጻዊ ኣርቲስት ሃጫሉ ተጠርጢሩ ክድለ ዝጸንሐ ውልቀሰብ ተታሒዙ","content":"ብቕትለት ህቡብ ድምጻዊ ኣርቲስት ሃጫሉ ተጠርጢሩ ክድለ ዝጸንሐ ከበደ ገመቹ ተታሒዙ። ፈደራል ዓቃቢ ሕጊ ትማሊ ምሸት ፥ እቲ ተጠርጣሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ `ድሬ` ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ብፖሊስ ምትሓዙ ኣፍሊጡ። ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ፥ ፈደራል ፖሊስን ኣባላት ስለያን ድሕነትን ምስ ነበርቲ ብዝገብርዎ ምውህሃድ እቲ ሰብ ክትሓዝ ከም ዝኸኣለ ጠቕላሊት ዓቃቢት ሕጊ ወ\/ሮ ኣዳነሽ ኣቢቤ ኣፍሊጣ`ላ። ንሳ ኣቐድም ኣቢላ፥ እቲ ብቐጥታ ብምትኳስ ዝድለ ዝነበረ ቀዳማይ ተጠርጣሪ ጥላሁን ያሚ፥ ከምኡ ድማ ካልኣይ ተሓባባሪ ኣብዲ ኣለማየሁ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ከምዝኣተዉ ሓቢራ`ያ። ብተወሳኺ ቅድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ናይ ዝኽሪ ስነ-ስርዓት ተኻይድሉ ኔሩ። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኣቶ ታከለ ኡማን ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ሺመልስ ኣብዲሳን ዝተፈላለዩ ስነ-ጥበባውያንተረኺቦም ኔሮም። ምስዚ ብዝተሓሓዝ ዜና ኣቶ በቀለ ገርባን ኣቶ ጃዋር መሓመድን ዝርከብዎም 16 ተጠርጠርቲ ሎሚ ኣብ ፈደራል ቤት-ፍርዲ ቀሪቦም ኔሮም። ቤት ፍርዲ ካብ መርመርትን ተኸሰስትን ድሕሪ ምስማዕ ፖሊስ ዝሓተቶ ናይ 14 መዓልታት ቆጸራ ንምውሳን ንዝመጽእ ሰሙን ተለዋጢ ቆጸራ ሂቡ`ሎ። ሎሚ ምስ በዓል ኣቶ በቀለ ገርባ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ካብ መንጎ 10 ዓጀብቲ ኣቶ ጃዋር 9 ዝቐረቡ ክኾኑ ኸለዉ፥ ክልተ ደቂ ኣቶ በቀለ ገርባ`ውን ቀሪቦም ኔሮም። ፖሊስ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘካየዶ መርመራ ምስዚ ብዝተሓሓዝ፥ 10 ክላሽ፥ 9 ሽጉጥን ናይ ሬድዮ መራኸብን ምሓዙ ኣፍሊጡ`ሎ። ብመሰረት ሓበረታ መንግስታዊ ሚድያ ተኸሰስቲ ተወሳኺ ግዜ ክውሃብ ኣይግባእን ዝብል መቃዊሞኦም ምንባሮም ተሓቢሩ'ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%89%95%E1%89%B5%E1%88%88%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BB%E1%8B%8A-%E1%8A%A3%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%88%B5%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%AB%E1%88%89-%E1%89%B0%E1%8C%A0%E1%88%AD%E1%8C%A2%E1%88%A9-%E1%8A%AD%E1%8B%B5%E1%88%88-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%90-%E1%8B%8D%E1%88%8D%E1%89%80%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%92%E1%8B%99\/5501087.html"} {"headline":"ኣሜሪካ:  ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንታዊ ኣማኻሪ ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳ ኣልዒላቶ","content":"ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንታዊ ኣማኻሪ ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ኣንቢራቶ ዝነበረት ናይ መገሻን ምድስካል ንብረትን እገዳ ኣልዒላቶ። ሚንስትሪ ገንዘብ ኣሜሪካ ኣብዚ ሰሙን`ዚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፥ ንኣቶ የማነ ገብረኣብ ካብ ዝርዝር`ቲ \"ብፍሉይ ዝተመደቡ ዜጋታት\" ዝብል መዝገብ እገዳ ከም ዘውጽኦ ኣፍሊጡ`ሎ። እቲ እገዳ ምስቲ ኣብ ሶማል ምስ ኣልሸባብ ብዝተኣሳሰር ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተገብረ ማዕቀባት ሕቡራት ሃገራት ብዝተኣሳሰር ኣሜሪካ ብወገና ዝገበረቶ እገዳ`ዩ ኔሩ። ካናዳ ድማ ኣብ ኤርትራ ተነቢሩ ዝነበረ ማዕቀብ ኣብ’ዚ ቀረባ ከም ዘልዓለቶ ዝምልከቶ ክፍሊ ምምሕዳር ካናዳ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ዘርጊሕዎ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5501067.html"} {"headline":"44 ሓለፍቲ መሓውራት መንግስቲን 20 ኣባላት ፀጥታን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ፖሊስ ኦሮሚያ ኣፍሊጡ","content":"ንሞት ህቡብ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኣብ ዝተላዕለ ተቓውሞን መጥቓዕቲን ኢድ ኣለዎም ዝተባህሉ 44 ሓለፍቲ መሓውራት መንግስቲን 20 ኣባላት ፀጥታን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ፖሊስ ኦሮሚያ ኣፍሊጡ። ብኻልእ ዜና ድሕነት ጋዜጠኛታት ዝከታተል ዓለምለኸ ትካል CPJ መንግስቲ ኢትዮጵያኣብ ልዕሊ ትካላት ሚዲያን ጋዜጠኛታትን ይወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ብቀረባ ይከታተሎ ከምዘሎ ንኣፍሊጡ። ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ጅማ ብልዕሊ 100 ሚሊዮን ብር ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዝተሃነፀ ‘’ዶሎሎ’’ብጉጅለ መናእሰይ ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ከምዝተቓፀለ ወነንቱ ገሊፆም። \"ንወለደይ ካብ መጥቓዕቲ ዘትረፈልና ጎረበተይ እዮም’’ ክብል ውላዶም ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ተዛሪቡ ኣሎ።እቲ መጥቓዕቲ ብጉጅለ ዝተፈፀመ ስለዝኾነ መንግስቲ ሓላፍነት ክወስድ ኣለዎ ኢሉ። ብኻልእ ወገን ሓላፊ ክፍሊ ፕረስ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ካብ ፌደራል መንግስትን ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያን ዝተዋፅኡ ብኽልተ ዓውድታት ዝተጣየሰ ኮሚቴ ዝተጎድኡ ሰባትን ዝጠፍአ ንብረትን ናይ ምፍላይ ስራሕ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም። ብዝተኣሳሰረ ዜና ጠቕላሊት ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤ ኣብ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ብምስታፍን ድሕሪ እቲ ቅትለት ምስ ዝተፈጠሩ ክስተታትን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዝኣተው ውልቀሰባት ብዝቐልጠፈ ፍትሒ ክረኽቡ መሓውረን ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፀን። ንሰን ወሲኸን ህይወት ሰብን ንብረትን ዘዕነው ጥፍኣታት ዳግም ከይልዓሉን ዜጋታት ናብ ግጭት ክኣትው ዝቐርበሎም ፃውዒት ከይቕበሉን ኣተሓሳሲበን።ወይዘሮ ኣዳነችቀጺለን ኣቶ ጀዋር መሓመድ፣ኣቶ በቀለ ገርባን ኣቶ እስክንድር ነጋን ንምኽሳስ ዘብቅዕ እኹል መረዳእታ ተረኺቡ ኣሎ ኢለን። ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዝተወሰኑ ወረዳታት ክልል ኦሮሚያ ብሄርን ሃይማኖትን መሰረት ዝገበሩ መጥቓዕትታት ምፍፃሞም ኣረጋጊፀኣለኹ ኢሉ ኣሎ። እቲ ትካል ብናይ ጉጅለ መጥቓዕቲ ዝተቐተሉ ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ ከምዘለው እውን ሓበሬታ ኣለኒ ኢሉ።ኣብ ገለ ከባቢታት ኦሮሚያ እውን ብሓይልታት ፀጥታ ዝተቐትሉ ሰባት ከምዘለው መሳኻኽር ገሊፆለይ ክብል ሓቢሩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትካላት ሚዲያን ጋዜጠኛታትን ይወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ይከታተሎ ከምዘሎ ንድሕነት ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ዓለምለኸ ትካል CPJ ኣፍሊጡ። ኣብ ሲፒጄ ወኪል ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝኾነት ሙዶ ኪሚሞ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎም ቕነ ኣብ ልዕሊ ትካላት መራኸቢ ብዙሃንን ጋዜጠኛታት ዝወሰዶም ስጉምታት ትካለን ብቐረባ ይካታተሎ ከምዘሎ ገሊፃ። ንሳ ኣብ ኢትዮጵያ መንግስቲ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጸእዋን ንመራኸቢ ብዙሃን ምቹእ ሃዋህው ምፍጣሩን ድሒሩ ግን መንግስቲ ይወስዶም ዝነበሩ ስጉምታት ሓበሬታ ናይ ምርካብ ነፃነት ንድሕሪት ዝመልሱ እዮም ኢላ። ‘’ካብ መወዳእታ 2018 ጀሚሩ CPJን ኣብ ነፃነት ሓበሬታ ዝሰርሑ ካልኦት ትካላትን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኢንቴርነት ምዕፃውን ምእሳር ጋዘጤኛታትን ሓዊሱ ብመንግስቲ ይወሰዱ ዝነበሩ ስጉምትታት ክንከታተልን ክነተሓሳስብን ፀኒሕና ኢና።\" ኣብ ሲፒጄ ወኪል ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝኾነት ሙዶ ኪሚሞ ሎሚ ዘይኮነስ ሽዑ መንግስቲ ይወስዶም ዝነበሩ ስጉምትታት ኢትዮጵያ ንዝጀመረቶም ምምሕያሻት ዕንቅፋት ከምዝኾኑ ነተሓሳስብ ኔርና ድሕሪ ምባል ንሳ ‘’ኣብዚ ቅኒያት ድማ ኣገልግሎት ኢንቴርነት ብመንግስቲ ስለዝተዓፀወ ሓበሬታ እተዘይሃለወኒ እውን እታ ሃገር ቀደም ናብ ዝነበረቶ ኩነታት ዝመልስ ከምዘይኸውን ተስፋ እገብር’’ክትብል ገሊፃ። ‘’ነዚ ክብል ከለኹ መንግስቲ ናብ ናይ ቀደም ተግባሩ ተመሊሱ ኣሎ እተዘይበልኩ እውን ቀደም ይወስዶም ዝነበሩ ስጉምትታት ግን ምሉእ ብምሉኡ ኣይገደፈን ማለተይ እየ።\" መንግስቲ ንመራኸቢ ብዙሃን ናይ ምዕፃው ዝወሰዶ ስጉምቲ CPJ ይከታተሎ ከምዘሎብምግላፅ ምስ ምቁራፅ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ዝተረጋገፀ ሓበሬታ ንምርካብ ኣፀጋሚ ምዃኑ ሓቢራ። ናይ ኢትዮጵያ ብዓል ስልጣን ብሮድካስት ስጉምቲ ካብ ዝወሰደሎም መራኸቢ ብዙሃን ናይ ኦሮሞ ሚዲያ ኔት ዎርክ OMN ሓደ እዩ። ናይቲ ትካል ናይ ሕጊ ጠበቓ ዝኾኑ ዶክተር ቶኩማ ዳባ ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ንስነስርዓት ቀብሩ ብቀጥታ የመሓላልፉ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት OMN ከምዝተኣሰሩን ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ናይቲ ሚዲያ ቤት ፅሕፈት እውን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር መንግስቲ ምዃኑን ገሊፆም። ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ንፅባሒቱ ከምዝተፈትሑን ፀኒሑ ናብቲ ቤት ፅሕፈት ዝኸደ ሓደ ሰራሕተኛ ግን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሉ ተኣሲሩ ከምዝርከብቱ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣረጋጊፆም ኣለው። እቲ ቤት ፅሕፈት ብሓይልታት ፀጥታ ክፍተሽ ከሎ ሰራሕተኛታት ናይቲ ትካል ኣይተነገሮምን፤ነቲ ፍተሻ ንምዕዛብ ዝተረኸበ ዋላ ሓደ ናይቲ ትካል ሰራሕተኛ ኣይነበረን ዝበሉ ንሶም ’’ብዘለኒ ሓበሬታ ኣብ ልዕሊ እቲ ቤት ፅሕፈት እውን ጉድኣት ወሪዱ እዩ። ብዙሕ ኣቑሑት እውን ተወሲዱ እዩ’’ ኢሎም። ብመንግስቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓለ ጋዜጠኛ OMN መለሰ ድሪብሳ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።ብዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ታደለች መርጋ ብዓል ቤታ ካብ ዝእሰር ዓሰርተ መዓልታት ከምዘቑፀረን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ማእኸላይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፖሊስ ከምዝርከብን ሓቢራ:ክሳብ ሕጂ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረበን ከይዳ ንምርኣይ እውን ፍቓድ ከምዝተኸልከለትን ንድምፂ ኣሜሪካ ገሊፃ። ኣብ ሃምሊን ዩኒቨርስቲ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ኮሚኒኬሽን እንዳልካቸው ጫላ OMN ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ይመሓላለፉ ዝነበሩ ፕሮግራማትን መልእኽትታትን ኣብ መንጎ ሕብረተሰባት ተፃብኦን ግጭትን ዘለዓእሉ ነይሮም ይብል ። ሓላፊ ብዓልስልጣን ብሮድካስት ኢትዮጵያ ዶክተር ጌታቸው ድንቁ ቅድም ክብል ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝ ብዎ ቃል ሞት ሃጫሉ ስዒቡ ብድምፂ ወያነን ናይ ትግራይ መራኽቢ ብዙሃንን ይመሓለፉ ዝነበሩ መልእኽትታት ሓቅነቶም ከይተረጋገፀ ካብ OMN ዝተወሰዱ ሓበሬታትት እዮም ነይሮም፤ መጠንቕታ ተዋሂቡዎም ነይሩ፤OMN ዝፍንዎም ዝነበሩ ሓበሬታታት ግን ብሕጊ ስለ ዘሕትቱ ናብ ሕጊ ተመሪሑ ክትትል ይግበረሉ ኣሎ ኢሎም ነይሮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/local-government-officials-and-security-forces-are-under-arrest-in-oromia-according-the-police-commissioner-of-the-region\/5501037.html"} {"headline":"ሱዳን:ምክንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ዝክልኽል ሕጊ ምጽዳቓ ሚንስትሪ ፍትሒ’ታ ሃገር ኣፍሊጡ","content":"ሱዳን፥ ምክንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ዝክልኽልን ኣመንቲ እስልምና ዘይኾኑ ዜጋታት ድማ ኣልኮላዊ መስተ ክሰትዩ ዘፍቕድ ሕጊ ምጽዳቓ ሚንስትሪ ፍትሒ’ታ ሃገር ኣፍሊጡ ። እዚ ውሳነ’ዚ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣርብዓ ዓመታት ዝጸንሓ ንናጽነት ደቂ ኣንስትዮ ዝድርኽ ሕግታት ዝቕይር ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ። ብተወሳኺ ቤት ምኽሪ ሉኣላዊነት ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ካብ ሃገር ወጻኢ ምስ ደቐን ኣብ ዝገሻሉ እዋን ካብ ወዲ ተባዕታይ ቤተሰብ ፍቓድ ክህልወን ኣለዎ ንዝብል ሕጊ’ውን ቐይርዎ’ሎ። ቀዳማይ ሚንስትር ሱዳን ዓብደላ ሃምዶክ ነቲ ለውጢ “ንመስርሕ ፍትሒ’ታ ሃገር ኣብ ምልዋጥ ኣድላይ ስጉምቲ” ብምባል ንኢዶም ኣለው። ተሓለቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ በቲ ውሳነ ዝተሰምዐን ሓጎስ እንተገለጻ ልምድታት ምክንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ግን ኣብ ሕብረተሰብ’ታ ሃገር ሱር ዝሰደደ ምዃኑ ይገልጻ። ብመሰረት ሓበሬታ ኣሶሴይትድ ፕረስ ምክንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ንዘካየደ ዝኾነ አካል ናይ ሰለስተ ዓመታት ማእሰርቲ ከምዝፍረድ እቲ ውሳን ምሕባሩ ይግለጽ ኣሎ። ብተወሳኺ ካብ 1983 ጀሚሩ ዝኾነ ኣልኮላዊ መስተ ኣብታ ሃገር ክሽየጥ ወይ ክጥቐም ዝክልክል ሕጊ ክቐይር ተወሲኑ’ሎ: ኣመንቲ እስልምና ዘይኾነ ዜጋታት ኣልኮላዊ መስተ ክሰትዩ ምፍቓዱ ተሓቢሩ’ሎ። ብመሰረት ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት 3 ሚእታዊት ካብ ዜጋታት ሱዳን ኣመንቲ እስልምና ኣይኮኑን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8A%95%E1%88%BB%E1%89%A5-%E1%8B%B0%E1%89%82-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AE-%E1%8B%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BD%E1%88%8D-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%88%9D%E1%8C%BD%E1%8B%B3%E1%89%93-%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%92-%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1-\/5500821.html"} {"headline":"መግለጺ ኤርትራ ኣብ ካልኣይ ዓመት ስምምዕ ሰላም ኢትዮ- ኤርትራ","content":"ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ”ኤርትራ ካብ ሰሃሮ ውግእን ወረ ውግእ ተገላጊላ፡ኣብ ሰላማዊ ምህናጽ ከተድህብ ባብ ዘርሓወ ስምምዕ’ዩ” ክብል መንግስቲ ኤርትራ ብ9 ሓምለ,2020 ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝተጀመረ ስምምዕ ሰላም ብሰንኪ ውሽጣውን ዞባውን ሓይልታት ዝፈጥርኦ ተጻብኦታት ከም’ቲ ተስፋን ትጽቢትን ዝተገብረሉ ከምዘይሰጎመ እቲ መግለጺ ከም ምኽንያት ኣቕሪብ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A3%E1%8B%AD-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE--%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB\/5498234.html"} {"headline":"ንድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብምቕታል ዝተጠርጠሩ 2 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣፍሊጡ","content":"ንድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ቀቲሎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 2 ሰባት ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ጠቕላሊ ዓቃቢሕጊ ኣፍሊጡ። ክልተ ካብ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎምን ሳልሳዮም ይድለ ከምዘሎ ጠቕላሊት ዓቃቢ ሕጊ ኣዳነች ኣበበ ንመራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ገሊፀን።ኦነግ ሸኔ ካብ ዝተባህለ ክንፊ ተልእኾ ተዋሂቡዎም ነቲ ቕትለት ከምዝፈጸምዎ ንሃጫሉ ቶኵሱ ቀቲሉ ዝተባህለ ውልቀሰብ ቃሉ ንፖሊስ ከምዝሃበ እውን ወሲኸን ሓቢረን ኣለዋ። ፍሉጥ፣ተፈታውን ናይ ነፃነት ተቓላሳይን ንዝኾነ መንእሰይ ዝቐተለን ኣብቲ ቅትለት ተሓባባራይ ዝኾነን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለው ዝበላ ጠቕላሊት ዓቃቢ ሕጊ ኣዳነች ኣበበ ዒበን ‘’እቲ ቀንዲ ተኳሲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ኣቶ ጥላሁን ያሚ ዝተብሃለ እዩ።ካልኣይ ምስኡ ተሓባባሪ ዝኾነ ኣቶ ኣብዲ ኣለማየሁ እዩ። ሳልሳይ ድማ ከበደ ገመቹ ይብሃል። ጥላሁን ያሚን ኣብዲ ኣለማየሁን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተው ክኾኑ ከለው ከበደ ገመቹ ግን ንግዚኡ ስለዝተሰወረ ይድለ እዩዘሎ ’’ ኢለን። ዝቐተልሉ ምኽኒያት ክገልፃ ከለዋ ድማ \"ቀንዲ ቶኳሲ ዝኾነ ጥላሁን ያሚ ዝተባህለ ሰብ ንምንታይ ንሃጫሉ ምቕታል ከምዘድልየ ኣብ ዝገለፀሉ እዋን እቲ ተልእኾ ካብ ኦነግ ሸኔ ከምዝኾነ ኣብ ወርሒ ሰነ ደጋጊሞም ረኺቦም ከምዘእመኑዎ፣ ሃጫሉ ምዃኑ ብዝርዝር ዘይተገለፀሎም እንተኾነ እውን ብዙሓት ዝቕተሉ ሰባት ከምዘለው ነዚ ምፍፃም ዘድለየሉ እውን ህዝቢ ኦሮሞ ንክሓልፈሉ ከምዝኾነ ከምኡ'ውን እዚ መንግስቲ ብምድኻሙ ከምዚ እንተድኣ ዘይተፈፂሙ ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ከምዝኽእል ከምዘእመኑዎን ከምዝጠቕሙዎን ዝገለፅሉ ምዃኖም ንፖሊስ ቃሉ ሂቡ እዩ’’ ኢለን። ኮሚሽነር ፖሊስ ፌደራል ኣራርሳ መርዳሳ ኣብ ቀረባ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ናይ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ክንፊ ኣብ በረኻ ተሪፉ ዝዋጋእ ዘሎ ኣብ ውሽጢ ከተማ'ውን ሽብር ይፈጥር ዘሎ ‘’ኦነግ ሸኔ’’ እዩ ኢሎም። ብተወሳኺ ድማ ንባዕሎም ‘’ኣባ ቶርቤ’’ ኢሎም ዝፅውዑ ናብ ከተማ እናኣተው ሓደጋ ዘውርዱ እውን ኣለው ኢሎም።ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ብዝተልዓለ ህውከት ክሳብ ሕጂ 177 ሰባት ከምዝተቐትሉ ፖሊስ ገሊፁ ኣሎ። ብኻልእ ወገን ቅትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ስዒቡ ንሰባት ብምቕታል፣ኣካል ብምጉዳልን ንብረት ብምዕናውን ተጠርጢሮም ካብ ዝተኣሰሩ 4,700 ሰባት ብተወሳኺ ነቲ መጥቓዕቲ ኣብ ክንዲ ምክልኻል ከምዘይርኣዩ ብምሕላፍ እቲ ጉድኣት ክጋደድ ምኽኒያት እዮም ዝተባህሉ ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይኣትው ከምዘለው ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ሓላፊ ፕረስ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ገሊፆም ኣለው። ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝርከቡን ንብረቶም ምሉእ ብምሉእ ከምዝተቓፀሎም ዝዛረቡን ግን \"ዝበፅሐልናን ዝሪአናን ስኢና’' ይብሉ ኣለው። ብዝተተሓሓዘ ዜና ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዝተወሰኑ ወረዳታት ክልል ኦሮሚያ ብዕስለ መጥቓዕትታት ምፍፃሞም ምርግጋፁ ገሊፁ።ናይ መንግስቲ ኣኽበርቲ ሕጊ ከይተረፉ ብዕስለ መጥቓዕቲ ዝተቐትሉ ከምዘለው ሓበሬታ ኣለኒ ኢሉ ኣሎ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልወሲኹ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ኦሮሚያ ግን ሰባት ብሓይልታት ፀጥታ ዝተቐትሉ ከምዘለው መሰኻኽር ነጊሮምኒ ኣለው ኢሉ ኣሎ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-attorney-general-says-two-people-have-been-arrested-in-connection-of-the-killing-of-hachalu-hundesa\/5498106.html"} {"headline":"መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘጋጥም ግህሰት መሰላት ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ኣለዎ ክብል ሂማን ራይትስ ዎች ገሊጹ","content":"ኣብ ዝኾነት ሃገር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጸም መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ምክልኻል ናይ መንግስቲ ሓላፍነት ከምዝኾነ ሁማን ራይት ዋች ገሊጹ። ዳይረክተር ሁማን ራይት ዋች ጨንፈር ምብራቅ ኣፍሪቃ ላቲሺያ ባይደር ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝገለጸቶ ‘ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ኦሮሞ ዘይኮኑ ውልቀ ሰባት መጥቓዕትን ግህሰት መሰላትን የጋጥም ከምዘሎ' ገሊጻ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A5%E1%88%9D-%E1%8C%8D%E1%88%85%E1%88%B0%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8E-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%88%82%E1%88%9B%E1%8A%95-%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%8C%BD-%E1%8B%8E%E1%89%BD-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5496384.html"} {"headline":"ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኣብ ቕትለት ጀነራል ሰዓራን ገዛኢን ውሳነ ንምሃብ ንወርሒ ጥቅምቲ ቆጸራ ሂቡ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ ናይ ዝተቐተሉ ጀነራል ሰዓረ መኮነንን ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ጉዳይ ቤት-ፍርዲ ሎሚ ተራእዩ ኔሩ። ዓቃቢ-ሕጊ ኣብ ልዕሊ ተኸሳሲ መሳፍንት ጥጋቡ ዘቕረቦም መሰኻኽር ኣኺሎምኒ`ዮም ኢሉ ከምዝዛዘመ ኣፍሊጡ`ሎ። ዓቃቢ ሕጊ ኣቐድም ኣቢሉ 17 መሰኻኽር ከቕርብ መዲቡ`ኳ እንተነበረ 10 ምስ ኣቕረበ ዝኣኽለኒ መርትዖ ሒዘ`የ ብምባል ነቶም 7ሸውዓተ ከምዘይቕርቦም ኣፍሊጡ`ሎ። በዚ መሰረት ቤት ፍርዲ ብይኑ ንምሃብ ንወርሒ ጥቅምቲ ቆጸራ ሂቡ `ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%95%E1%89%B5%E1%88%88%E1%89%B5-%E1%8C%80%E1%8A%90%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%88%B0%E1%8B%93%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8C%88%E1%8B%9B%E1%8A%A2%E1%8A%95-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%83%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%88%92-%E1%8C%A5%E1%89%85%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%89%86%E1%8C%B8%E1%88%AB-%E1%88%82%E1%89%A1\/5496365.html"} {"headline":"መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ ብምክንያት ዝኽሪ ስምምዕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ","content":"መንግስቲ ኤርትራ ብምኽንያት ሎሚ ዝዝከር ዘሎ ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፥ \"ኤርትራ ካብ ሰሃሮ ውግእን ወረ-ውግእን ተገላጊላ ፡ ኣብ ሰላማዊ ህንጸት ከተድህብ ባብ ዘርሓወ ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም `ዩ\" ኢሉ።\\n\\n\"ትማሊ ጸላእቲ ዝነበራ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ሎሚ መሓዙት ኮይነን ኣብ ክንዲ ሓድሕደን ንምጥቃዕን ንምድኻምን ዝሰርሓ፡ ብሓባር ይመኽራን ተሓጋጊዘን ይዓያን ኣሎዋ፥ ኣብ ደንበ ተጻባእቲ ተሰሪዓን ዝነበራ ሱዳንን ሶማልን`ውን ምስ ኤርትራ ይተሓጋገዝ ኣለዋ\" ዝበለ እቲ መግለጺ:.\"ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ንክልቲኤን ሃገራትን ህዝብታትን ከምዘርብሐ ዘይከሓድ ኮይኑ፥ ከምቲ ተስፋን ትጽቢትን ዝተገብረሉ ከምዘይሰጎመ ዘይከሓድ እዩ`ዩ ኢሉ`ሎ። ክልተ ዓመት ድሕሪ'ቲ ስምምዕ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ገና ኣብ ልኡላዊ መሬት ሰፊሩ ኣሎ ኢሉ። ክልተ-ዓመት፡ ብተዛማዲ ሓጺር ግዜ'ዩ ዝበለ መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ፥ ኢትዮጵያ ድማ ብኣዝዩ ጽንኩር፡ ዝተሓላለኸ መሰጋገሪ መድርኽ'ያ ትሓልፍ ዘላ ፥ መስርሕ ሰላም ዓንዩ፡ ክልትኤን ሃገራት ናብ ግጭት ክምለሳ ዝሓልሙን ዝሰርሑን ወገናት ድማ ኣለዉ ኢሉ`ሎ ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ ናይ ጽባሕ መደብ ተኸታተሉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB\/5496356.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብዝተላዕለ ህውከት ቁጽሪ ዝሞቱ ከምዘይወሰኸ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ለንቅነ ብዝተወልዐ ህውከት ብውሑዱ 167 ሰባት ከም ዝሞቱ ተገሊጹ። ክልላዊ መንግስቲ ትማሊ ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፥ ካብ መንጎ`ቶም ዝተቐተሉ ትሸዓተኣባላት ፖሊስ፥ ሓሙሽተ ድማ ሚሊሻ ከም ዝኾኑ ሓቢሩ`ሎ። ኣካላት ጸጥታ`ቲ ኽልል 3,100 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምእተው ኣፍሊጦም ኣለዉ። ብመሰረት ሓበሬታ ፈደራል ፖሊስ ቁጽሪ ዝሞቱ ድሕሪ ትማሊ ኣይወሰኸን፥ ቁጽሪ ዝተኣሰሩ ግን ወሲኹ`ሎ። ሓላፊ ፈደራል ፖሊስ ኮሚሽን ኣቶ ጄይላን ኣብዲ፥ ብዛዕባ ዳሕራዋይ ሪፖርት ክገልጽ ከሎ፥ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ዝተመዝገበ ቁጽሪ 167 ሰባት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብዝተላዕለ ህውከት ከም ዝሞቱ ኣረጋጊጹ`ሎ። እቲ ወሃቢ-ቓል ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድማ 10 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ`ሎ ይብል ። ብዘይካ`ቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ፥ ዝቖሰሉ ብድምር 229 ከም ዝተመዝገቡ ኣፍሊጡ`ሎ። ብኻልእ ወገን ሎሚ ናይ ክልል ኦሮሚያ ተተካኢ ኮሚሽነር ፖሊስ ሙስጠፋ ከድር፡ ብድምር 239 ከም ዝተቐተሉ ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ዝገለጾ- ድሕሪኡ ናብ ካልኦት ዓለም-ለኸ ሚድያታት ዝተበተነ ዜና ብጌጋ ምዃኑ`ውን ኣቶ ጄይላ ኣብዲ ኣፍሊጡ`ሎ። ብኻልእ ወገን፥ ሎሚ ዝተወሰኸ ሓዲሽ ቁጽሪ ሞት ከም ዘየለ ኣብ ዝሕበረሉ ዘሎ እዋን፥ ድሕሪ`ቲ ህውከት ብፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን ብዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ፥ ኣብ ልዕሊ ተጠርጠርቲ ዝግበር ማእሰርቲ ወሲኹ ውዒሉ`ሎ። ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምስ ናይ ሎሚ ወሲኽካ 3,100 ክእሰሩ ከለዉ፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድማ 1,600 ሰባት ከም ዝተኣሰሩ ፖሊስ ኣረጋጊጹ`ሎ። ወሃቢ-ቃል ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ካብቲ ቁጽሪ ንላዕሊ ግን ነቲ ዘሎ መረዳእታታት ናይ ምምርማር ስራሕ ተጀሚሩ ከም ዘሎ፥ ምጽራይ ኣብ ዝተገብረሉ እዋን ድማ ንህዝቢ ብዕሊ ክነፍልጥ ኢና ኢሉ`ሎ ። ብኻልእ ወገን በቲ መጥቃዕቲ ኣባላት ቤተሰቦም ዝሰኣኑ፥ ኣብ ዝዋይ ድግዳ ዝረከቡ ዜጋታት፥ ከምኡ`ውን ንብረቶም ዝተቓጸሎም ኢትዮጵያውያን ብዘይ ዝኾነ ረድኤት ኣብ መደበር ፖሊስ ተዓቑብና ንርከብ ኣለና ክብሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም ኣለዉ። ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ኣቶ ጌታቸው ባልቻን ወሃቢ-ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ኣቶ ንጉሱ ጥላሁንን ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት በብወገኖም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ነቲ መጥቃዕቲ ዘካየዱ ህውከት ንምትኹቷኽን ኣብ መንጎ ክልተ ብሄረሰባት ግጭት ንምልዕዓልን፥ ከምኡ`ውን ንምልእቲ`ዛ ሃገር ንምዝራግ ዘንቀዱ ወገናት`ዮም ኢሎም ኣለዉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%88%88%E1%8D%88-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%8B%9D%E1%88%9E%E1%89%B1-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%B8-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5495115.html"} {"headline":"መግለጺ አባል ቤት ምክሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ካረን ባዝ ኣብ ህልው ኩነታት ኢትዮጵያ","content":"ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ኣብ ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ ኣደ መንበር ንኡስ ኮሚቴ ጉዳያት ኣፍሪቃ ካረን ባስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ዝተርኣየ ህውከት ብዝምልከት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ንስድራ ኢትዮጵያዊ ሙዚቀኛ ሃጫሉ ሁንዴሳን ሞቱ ስዒቡ ብዝተፈጥረ ህውከት ግዳያት ንዝኾኑን ሓዘነን ገሊፀን።ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ድምፆም ክስምዑን ሰባት ሰላማዊ ናይ ምእካብ መሰሎም ክኽበረሎምፀዊዐን። ኣብ ኢትዮጵያ ዝለዓለ ውጥረት ከምዘሎን ዜጋታት ጉህዮም ከምዘለውን ብምሕባር መንግስቲ ንኩሎም ኢትዮጵያዊያን ክመርሕን ሚዝናዊ ፍታሕ ክህበሉ:መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣወንታዊ ለውጥታት ምስርሑ ክቕፅል፣ምዕፃው ኣገልግሎት ኢንተርኔት ከብቅዕ፣ ህድኣትን ምርግጋእን ከስፍንን ፀዊዐን።ጽልእን ህውከትን እናሰበኹ ኣብታ ሃገር ምክፍፋል ዝፈጠሩ ብቕልጡፍ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ወሲኸን ፀዊዐን ኣለዋ ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ዳያስፓራ ዝነብሩ ማሕበረሰብ ኦሮሞ ንሞት ዝተቐትለ ስነ ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳን ኣብ መላእ ኦሮሚያ ይፍፀም ኣሎ ዝበሉዎ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ብዝምልከት ተቓውምኦም ቀፂሎም ኣለው። ትማሊ ሰሉስ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ኦስሎ ኖርወይ ኣብ ፊት ንፊት ማእኸል ኖበል ሰላም \\Nobel Peace Center\\ ድምፆም ኣስሚዖም። ሓደ ካብ ኣተሓባበርቲ እቲ ማሕበረሰብ ንቀ\/ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝተውሃበ ሽልማት ሰላም ክምለስ ዝሓትት ደብዳበ ናብቲ ማእኸል ምርካቦም ገሊፁ። ኣብ ደብዳብኦም ዴሞክራሲ ንድሕሪት ምምላሱ፣ኣብ ልዕሊ ሚዲያን ተቓወምቲ ውድባትን ይፍፀሙ ኣለው ዝበሉዎም በደላትን ዝተፈለየ ፖለቲካዊ እምነት ኣብ ልዕሊዘለዎም ሰባት ዝውሰዱ ዘለው ናይ ሓይሊ ስጉምትታትን ምዝርዛሮም ገሊፆም ። ኣብዚ ኣብ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ንካልኣይ ግዜ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ቀፂሉ ኣሎ። ኣብ ፓርትላንድን እውን ንቕትለት ሃጫሉ ሁንዴሳን ማእሰርቲ መራሕቲ ተቓወምትን ኣብ መላእ ኦሮሚያ ይፍፀም ኣሎ ዝበሉዎ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝቓወሙ ትማሊ ድምፆም ኣስሚዖም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8B%88%E1%8A%A8%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%AB%E1%88%A8%E1%8A%95-%E1%89%A3%E1%8B%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%88%8D%E1%8B%8D-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-\/5495003.html"} {"headline":"ፓርላማ ኢትዮጵያ ናይ 467 ቢሊዮን ብር ባጀት ንዝመጽእ ዓመት ኣጽዲቑ ኣፅዲቑ","content":"ናይ ኢትዮጵያ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ ሶሉስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ሃንደበት ኣብ ዝተረኸብሉ ኣኼባ 467 ቢሊዮን ብር ብር ባጀት ንዝመጽእ ዓመት ኣጽዲቑ።ካብዚ 351 ቢሊዮን ብር ካብ ውሽጢ ሃገር ዝእከብ ኮይኑ ዝተረፈ 126 ቢሊዮን ድማ ካብ ወፃእን ውሽጥን ብልቓሕ ዝርከብ እዩ ተባሂሉ ኣሎ። ኣፈ ጉባኤ ፓርላማ ኣቶ ታገሰ ጫፎ እቲ ባጀት ብምሉእ ድምፂ ከምዝፀደቐ ገሊፆም። ኣብ ህልው ኩነታት መብርሂ ዝሃቡ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብ ወፃኢ ሃገር ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ንህዝቢ ኦሮሞን ንኢትዮጵያን ናይ ምክፍፋል ወፍሪ ምክያድ ደው ኣቢሎም ናብ ውሽጢ ሃገር ኣትዮም ክቃለሱ ሓቲቶም። ኦሮሞ ኣብቶም ዝሓለፉ 100 ዓመታት ንነፃነቱ ተቓሊሱ ነፃ ወፂኡ እዩ ድሕሪ ሎሚ ናይ ዕጥቒ ቓልሲ የድሊ እዩ ዝብል እምነት የብለይን ኢሎም።ሰላማዊ መንገድን ኵናትን ኣጣሚርካ ምኻድ ግን ኣይክኣልን ኢሎም። ‘'ንኢትዮጵያ ምፍራስ ዝክኣል መጀመሪያ ንዓና ብምፍራስ እዩ’’ ዝበሉ ንሶም ‘’ንሕና እናሃለና ንኢትዮጵያ ምፍራስ ዘይፍቀድ ምዃኑ ብዝግባእ ምርዳእ ይክኣል’’ ኢሎም። ‘’ንሕና እናመራሕና፣ንሕና ብህይወት እናሃለና ናይ ኢትዮጵያ ምፍራስ ኣይንፈቅድን።ዝኾነ ይኹን ሰብ ትሕቲ ኢትዮጵያ እዩ።ሰላም ኣይደልን፣ዴሞክራሲ ኣየድልን፣ ኵናት እዩ መፍትሒኡ ዝብሃል እንተኾይኑ ድማ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ክስራሕ እዩ።ሕጂ ዘሎ ፖለቲካ ኣብ ቅንኢ ዝተመስረተ ፖለቲካ፣ ንኦሮሞ ዝኸፋፍል ፖለቲካ፣ ንኢትዮጵያ ዝኸፋፍል ፖለቲካ ኣይጠቅምን’' እዮም ኢሎም። ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ወሲኾም ኦሮሞ ሓደ እዩ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያዊያን ብሓባር ንኢትዮጵያ ክሃንፅ እዩ ኢሎም። ሞት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ዝተላዕለ ሁከት ይኹን ዝወረደ ጉድኣት ብዝምልከት ኣብቲ ናይ ሎሚ አኼባ ፓርላማ ብሪፖርት ይኹን ካብ ኣባላት ፓርላማ ዝቐረበ ርእይቶ ኣይነበረን። ብዛዕባ ግድብ ህዳሴ ኣብዝሃብዎ ሰፊሕ መብርሂ ኣብዚ ኣዳራሽ ብዝርዝር ከቕርቡዎ ዘይደልዩ ጉዳይ እንተኾነ እውን ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ክኽበረሉ ዝግባእ ዝበሉዎ ስራሕ ምስርሑ ሓቢሮም።እኒ ግብፂ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ናብ ሕቡራት ሃገራትን ናብ ዓረብ ሊግ ወሲዶምዎ ዝነበሩ ሎሚ ናይ ኢትዮጵያ ዲፕሎማሲ ስለዝስዓረ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ተመሊሱ ኣሎ እዚ ዓብይ ዓወት እዩ ኢሎም። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ምርጫ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ቫይረስኮሮና እንተዘይመፅእ ነይሩ ምርጫ ክካየድ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ንሶም ናይ ዝመርሑዎ ብልፅግና ፓርቲ ድልየት ዝልዓለን ድልውነትን ከምዝነበረ ሓቢሮም።ኮይኑ ግን ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዙሓት ሃገራት ብናቶም ኣገላልፃ 58 ዝኾና ሃገራት ብሰንኪ ቫይረስኮሮና ምርጫ ከምዘናውሓ ሓቢሮም። በቲ ሕጂ ዘለዎ ኩነታት ምርጫ ንምክያድ እንተድኣ ተፈቲኑ ከምቲ ዝለመደናዮን ልሙድን ድራማ እዩ ክኸውን፤ዴሞክራሲ ኣይመፅእን ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-parliament-endorsed-467-billion-bir-annual-budget\/5493463.html"} {"headline":"ኬንያ: ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስኮሮና ደው ኢሉ ዝነበራ ዓለምለኸ በረራ ከምትጅምር ኣፍሊጣ","content":"ኬንያ ተዓጽዩ ዝነበረ በረራ ከም ትጅምር ኣፍሊጣ። ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ሎሚ ብዛዕባ ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ነቲ ለበዳ ንምግታእ ተወሲዱ ዝነበረ እገዳታት ምምሕያሽ ከም ዝተገብረሉ ኣፍሊጡ። በዚ መሰረት ካብ ሓምለ 25 ጀሚሩ ዓለም-ለኸ በረራታት ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ። ዘቤታዊ በረራታት ድማ ቅድም ኢሉ ኣብዚ ሰሙን`ዚ ክኽፈት ኣዚዙ`ሎ። ከንያታ ኣብ መልእኽቱ፥ ኣብ ናይሮቢ: ሞምባሳን ማንዴራን ዝነበረ ትእዛዝ ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ከም ዝለዓል ኣፍሊጡ`ሎ። ተነቢሮም ዝጸንሑ እገዳ ሕላፍ ሰዓት ግን ንሓደ ወርሒ ክቕጽል ተገይሩ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AC%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%88%88%E1%89%A0%E1%8B%B3-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%8A%A2%E1%88%89-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AB-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%88%AB-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8C%85%E1%88%9D%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A3\/5491931.html"} {"headline":"ክልል ኦሮምያ: ኣብ ልዕሊ ተወልደቲ ሓደ ብሄር ዝተባህሉ ነበርቲ መጥቓዕቲ ምፍጻሙ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ሓደ ብሄር ዝተባህሉ ዜጋታት ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ምውራዱ ነበርቲ ተዛሪቦም። በቲ ግፍዒ ቁጽሮም ብትኽክል ዘይተፈልጠ ሰባት ከም ዝተቐተሉ`ውን ካብቲ መጥቃዕቲ ዝደሓኑ ሰባት ንንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም። እንተኾነ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ካብ ሓደ ብሄር ዝመጹ`ዮም እንተተባህለ`ኳ እቲ ሕብረተሰብ ነንሕድሕዱ ዝተዋሰብን ዝተዋልደን ብምዃኑ ዝተጎድኡ ሰባት ካብ ዝተፈላለዩ ብሄረ-ሰባት ከም ዘለውዎም ኣመሓዳሪ`ቲ ዞባ ተዛሪቡ`ሎ። ከም ሓበረታ ነበርቲ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘይተፈልጡ ሰባት ዝተቐተለ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ፥ ድሕሪኡ ብዝሰዓበ ጎንጺ ብዙሓት ክሞቱ ከለዉ ብዙሓት ቆሲሎምን ንብረት ዓንዩን`ዩ ። ብኻልእ ወገን፥ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ኣርሲ ኣቶ ጀማል ኣልዩ፥ ኣብታ ዞባ ካብ ዝርከባ 25 ወረዳታት ኣብ ሽዱሽተ ወረዳታት መጥቃዕቲ ከም ዝወረደን ናይ 34 ሰባት ህይወት ከምዝጠፍአን ኣፍሊጡ`ሎ። እቲ ተግባር ካብ ቁጽጽር ዓቕሚ ፖሊስ ወጻኢ ከም ዝነበረን፡ ሓደ ኣባል ፖሊስ`ውን ከይተረፈ ከምዝተቐተለ ሓቢሩ`ሎ። ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፥ ኣብ መንጎ ክልተ ብሄራት ግጭት ብምልዕዓል ንኢትዮጵያ ናይ ምፍራስ ዕላማ ዘለዎም ወገናት ብድሕሪ መጋረጃ`ቲ መጥቃዕቲ ኣለዉ ኢሉ`ሎ። መንግስቲ ነዚ ተረዲኡ ፈደራል ፖሊስን ሰራዊት ምክልኻልን ምስ ኣካላት ጸጥታ ብምውህሃድ ናይ ምክልኻል ስራሕ እንተዘይሰርሕ ኔሩ ካብኡ ዝገድድ መጥቃዕቲ ምወረደ ኔሩ ኢሉ`ሎ። 145 ሰለማውያን ሰባትን 11 ኣባላት ጸጥታን ብድምር ናይ 156 ዜጋታት ህይወት ምሕላፉ ምኽትል ኮሚሽነር ፖሊስ ኦሮሚያ ግርማ ገላን ሓቢሩ`ሎ። ዛጊት ኣብቲ ጎንጺ ኢድ ኣለዎም ዝተባህሉ ናብ 2000 ዝጽግዑ ሰባት ከምዝተታሕዙ`ውን መንግስቲ ኣፍሊጡ`ሎ-ኣብ ምዕራባዊ ከተማታት ኦሮሚያ ማለት ኣብ ኣምቦ: ነቀምት: ግምቢL ሆሮ ጉዱርን ዝኣመሰላ ከተማታት ግን ኣንጻራዊ ሰላም ከምዝሰፈነን ወኪላትና ይሕብሩ`ለዉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%8B%B0%E1%89%B2-%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%89%A5%E1%88%84%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%89-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%8C%BB%E1%88%99-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5491909.html"} {"headline":"ፕረ. ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ትማሊ ግብጺ ኣትዩ","content":"ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፥ ንናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ትማሊ ግብጺ ኣትዩ`ሎ። ብመሰረት መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ምስ ፕረዚድነት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣሲሲን ካልኦት ሰበ-ስልጣን ግብጺን ተራኺቡ፥ ብዛዕባ ክልቲኣውን ዞባዊን ጉዳያት ክዛረብ`ዩ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሰሙናት ኢትዮጵያን ሱዳንን`ውን በጺሑ ኔሩ`ዩ። ምስዚ ብዝተኣሳሰር ኣብ ጃፓን ናይ ኤርትራ ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝለኣኾ ናይ ትዊተር መልእኽቲ፥ ፕረዚደንት ኢሳያስ፥ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ፥ ጉዳይ ተፋስስ ኒል ከምኡ`ውን ማእከላይ ምብራቕ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ፥ ሱዳንን ግብጽን፥ ብዛዕባ ምሕያል ሰላምን ምትሕብባርን ኣብ ዕቱብን ተኸታታልን ምኽክር ከምዝጸንሐ ኣተንቢሁ`ሎ። ግብጽን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ምምላእ ማይ ሓዲሽ ግድብ ህዳሴ፥ድሕሪ ምስሕሓብ፥ ኣብ ጽዑቕ ልዝብ ተጸሚደን ከምዘለዋ ይፍለጥ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%8A%95%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%88%9B%E1%88%8A-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%A9\/5491904.html"} {"headline":"ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት ዝተወልዐ ህውከት ኣብታ ሃገር ኩናት ሕድሕድ ንምጽሕታር ዝተፈተነ ከምዝነበረ እንተኾነ ግን ከምዝበርዓነ ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ","content":"ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት ዝተወልዐ ህውከት ኣብታ ሃገር ኩናት ሕድሕድ ንምጽሕታር ዝተፈተነ ከምዝነበረ እንተኾነ ግን ከምዝበርዓነ ኣፍሊጡ። ቀ\/ሚ ኣቢይ ምስ ላዕለዎት ወተሃደራውን ሲቪላውን ሰበ-ስልጣን ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፥ ምስጋና ንሓይልታት ጸጥታ እቶም ነቲ ህውከት ዘለዓዓሉ ተታሒዞም`ዮም ኢሉ።ብመሰረት ሓበሬታ መንግስቲ በቲ ድሕሪ ቅንጸላ ህቡብ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንደሳ ዝተወልዐ ህውከት 87 ሰባት ክሞቱ ከለዉ-ኣርባዕተ ካብኦም ኣባላት ፖሊስ`ዮም ። ብኻልእ ወገን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ውሳነታት ከሕልፍ ዝኽእል ብቀዳማይ ሚንስተር ዝምራሕ ኮሚቴ ቆይሙ ይስራሓሉ ከምዘሎ ቤት ጽሕፈት ቀ\/ሚ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ፕረስ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ንድምጺ ኣመሪካ ከምዝሓበሮ፡ ካብ ሕጂ ንድሓር ሰላምን ምርግጋእን`ዛ ሃገር ዝህውኽ፥ ንህልውና ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ፥ ድሕነት ህዝቢ ኣብ ስግኣት ዘውድቕን ሃገር ንምፍራስ ዝሰርሕን ዝኾነ ይኹን ኣካል ብትዕግስቲ ምጽዋር ከምዘይህሉ ኣብ ውሳነ ተበጺሑ`ሎ ኢሉ። ብዝተሓሓዝ ዜና ቦርድ ብሮድካስቲንግ ኤጀንሲ ኢትዮጵያ፥ ዓሌታዊ ጎንጺ ይተዃቱዃ ኣለዋ ንዝበለን ናይ ተቓወምቲ ሚድያታት ናይ መጠንቀቕታ ደብዳበ ልኢኹ። ዳይሬክተር ቦርድ ፈነወ ኣቶ ጌታቸው ድንቁ፡ ከም ትግራይ መዲያ ሃውስ፡ ድምጺ ወያነን፡ ዝበሉ ሚድያታት፡ ዓሌታዊ ጎንጺ ዝዕድምን ነታ ሃገር ናብ ህውከት ዘእቱን ስራሓት ካብ ምስራሕ ክቑጠቡ ኣጠንቂቑ`ሎ። ናብተን ትካላት ሚድያ ፥ናይ መጠንቀቕታ ደብዳበ ከምዝተላእከለን`ውን ኣፍሊጡ`ሎ። ኣብ ልዕሊ OMN ን ኣስራት ረድዮን ብዓቃቢ ሕጊ ዝተወስደ ስጉምቲ ከምዘሎ`ውን ኣቶ ጌታቸው ኣፍሊጡ`ሎ። ሕጂ ዝመጻና ዜና ከም ዝሕብሮ ድማ፥ ብኣቶ ጃዋር መሓመድ ዝምራሕ ዝነበረ OMN ማለት ኦሮሞ ሚድያ ነት ወርክ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ መደበሩ ከምዝተዓጽወን ፖሊስ ኣብ ኣፍደገ ክሕልውዎ ከምዝርኣዩን ምንጭታትና ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም ኣለዉ። ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ ምልእቲ`ታ ሃገር ካብ ሰሉስ ጀሚሩ ምስ ተዓጽወ`ዩ። ኣብ ምብራቓዊ ኦሮሚያ ድማ ሓይልታት ጸጥታ ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ይኣስሩ ከምዘለዉ ነበርቲ ዝተፈላለያ ከተማታት ንድምጺ ኣመሪካ ይሕብሩ`ለዉ። ነበርቲ ከተማታት ድሬዳዋ፥ ሃራማያን ጪሮን ድማ፥ ድሕሪ`ቲ ሞት ዘስዓበ ተቓውሞታት ሓይልታት ጸጥታ ንምንቅስቓሳት ነበርቲ ይድርቱ ከምዘለዉ ይሕብሩ- ። ብዝተኣሳሰር ዜና፡ ንዝኽሪ`ቲ ኢትዮጵያዊ ደራፋይ ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ናይ ሽምዓ መብራህቲ ቀጺሉ`ሎ- ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ካናዳ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ስዊድንን ነዘርላንድስ ተጠቃሳይ ክኸውን ከሎ፥ ኣብ `ታ ብብዝሒ ተወላዶ ኦሮሞ ዝነብሩላ ሚነሶታ ግን ዝዓበየ ምንባሩ ተፈሊጡ`ሎ- ናይታ ግዝኣት ኣመሓዳሪ፡ ከንቲባታት ዝርከብዎም ሓዘኖምን ሓድነቶምን ገሊጾም ኣለዉ- ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%88%88%E1%8D%88-%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%8B%90-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8A%A9%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%8B%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8C%BD%E1%88%95%E1%89%B3%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%89%B0%E1%8A%90-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%8A%BE%E1%8A%90-%E1%8C%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%8A%90-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5488227.html"} {"headline":"ዋና-ጸሓፊ ሕ\/ሃ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ኩነታት ብዝምልከት ኩሎም ወገናት ክሃድኡን ውጥረት ካብ ዘተባብዕ ተግባራት ክቑጠቡን ጸዊዖም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ምዕባለታት ዝተሓተተ ወሃቢ ቃል ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ቅትለት ህቡብ ደራፋይ ሃጫሉ ሁንደሳ ንዘሎ ምዕባለታት ብቐረባ ይከታተሎ ከምዘሎ ብምሕባር፥ ንስድራ ቤት ሃጫሉን በቲ ጎንጺ ኣዝማዶምን ንዝተጎድኦምን ጽንዓት ይሃብኩም ምባሉ ገሊጹ። ኢትዮጵያ ነቶም ንፈጸምቲ’ቲ ቕትለት ብቕልጡፍ ናብ ፍትሒ ክቐርቡ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ`ውን ዋና-ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተርዝ ብሓጎስ ከም ዝቕበሎ ወሃቢ ቃሉ ስተፈን ዱጃሪክ ኣፍሊጡ`ሎ። ኩሉም ዝምልከቶም ወገናት`ታ ሃገር`ውን ክሃድኡን ውጥረት ካብ ዘተባብዕ ተግባራት ክቑጠቡን ኣንቶንዮ ጉተረዝ ጸዊዑ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%8A-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A9%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8B%88%E1%8C%88%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%83%E1%8B%B5%E1%8A%A1%E1%8A%95-%E1%8B%8D%E1%8C%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%98%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%8B%95-%E1%89%B0%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%89%91%E1%8C%A0%E1%89%A1%E1%8A%95-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%96%E1%88%9D\/5488007.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: መንግስቲ ድሕሪ ሕጂ ሃገር ንምፍራስ ንዝሰርሕ ኣካል ትዕግስቲ ከምዘይህልዎ ተገሊጹ","content":"ኢትዮጵያ ካብ ቅልውላው ንምድሓን ብዘኽእል መልክዑ ምምሕዳራዊ፥ወታሃደራዊን ፖለቲካውን ውሳነታት ዝህብ ብቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ኮሚቴ ተጣይሹ ይስራሕ ከምዘሎ ቤት ፅሕፈት ቀ\/ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ፕሬስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብዝሃብዎ መግለፂ ቀ\/ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ዓርቢ ምስ ላዕለዎት ሓላፍቲ ክፍሊ ፀጥታ፣ፍትሕን ምስ ዝምልከቶም ሰበስልጣን ክልልን ኣብ ዘካየድዎ ምይይጥ ኣብዚ ሰሙን ዝተፈጥረ ኩነታት ገምጊሞም ኣለው ኢሎም። ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ወሲኾም መንግስቲ ድሕሪ ሎሚ ናይታ ሃገር ሰላም፣ ፀጥታን ምርግጋእን ዝህውኽ፣ህልውና ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ናይ ህዝቢ ደሕንነት ኣብ ስግኣት ዘእቱን ሃገር ንምፍራስ ዝሰርሕን ንዝኾነ ይኹን ኣካል ትዕግስቲ ከምዘይህልዎ ተወሲኑ ኣሎ ኢሎም ። ኣብ ምብራቕ ኦሮሚያ ብሞት ሃጫሉ ብዝተላዓለ ተቓውሞ ብርክት ዝበሉ ሰባት ብሓይልታት ፀጥታ ይእሰሩ ከምዘለው ተፈሊጡ ኣሎ።ኣብ ዞባታት ምብራቕን ምዕራብን ሃረርጌ ኣስታት 13 ሰባት ከምዝተቐተሉ ተሓቢሩ ኣሎ። ነበርቲ ሃሮማያ፣ድሬዳዋን ጭሮን ከምዝገለፁዎ ኣብቶም ዝሓለፍ መዓልታት ዝተላዓለ ተቓውሞ ብምቕፃል ብዙሓት መናእሰይ ይእሰሩ ከምዘለው ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።ሓደ ነባሪ ሃሮማያ ሎሚ እውን ሓይልታት ፀጥታ ብዝወሰዱዎ ስጉምቲ ህይወት ጠፊኡ ኣሎ ኢሎም። ‘’ሎሚ ንጉሆ ሓይልታት ፀጥታ ንነበርቲ ይቕጥቅጡ ነይሮም፤ኣብ ገንደ ቆሬ ብዝወረዶማህረምቲ ሓደ ገባር ህይወቱ ሓሊፉ ኣሎ’’ ነቲ ቕትለት ዝፈፀሙ'ውን ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ እዮም ኢሎም ። ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ምብራቕ ሃረርጌ እንተወሓደ 9 ሰባት ብሓይልታት ፀጥታ ተቐቲሎምን ብዙሓት ድማ ተኣሲሮም ዝበሉ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነባሪ: ኣብ ድሬዳዋ እውን ኣብቶም ዝሓለፉ መዓልታት ህይወት ሰብ ምጥፍኡ ብዙሓት ድማኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ሓደ ነባሪ ንክፍሊ ኣፋን ኦሮሞ ድምጺ ኣሜሪካ ገሊጹ ።ብፍላይ ኣብ ቀበሌ 04 ካብ 10 ንላዕሊ መናእሰይ ምእሳሮም ሓቢሩ። ኣብ ምዕራብ ሃረርጌ እውን ሓይልታት ፀጥታ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ብዝወሰዱዎ ስጉምቲ ልዕሊ 36 ሰባት መጥቓዕቲ ወሪዱዎም ካብ መንጉኦም እቶም 5 ሽዑ ንሽዑ ህይወቶም ከምዝሓለፈ እቶም ነበርቲ ሓቢሮም። ኣብ ከተማ ኣወዳይ እውን 4 ሰባት ከምዝተቐተሉ ተዛሪቦም።ናይታ ከተማ ከንቲባ ወይዘሮ ንሂማ ሙሳ ግን ክልተ ሰባት እዮም ዝተቐትሉ ኢለን። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፀጥታ ምብራቕ ሃረርጌ ዝኾኑ ኣቶ ኣሕመድ ነጂ ኣቡበክር በቲ ተቓውሞ ህይወት ሰብ ሓዊሱ ጉድኣት ወሪዱ ኣሎ ኢሎም።ብዝሖም ዘይተፈልጠ ሰባት እውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ሓቢሮም። ንሶም ወሲኾም ኣብቲ ዞባ ዝተፈፀመ ቕትለት ዘፃሪ ኮሚቴ ተጣይሹ ናይ ምፅራይ ስራሕ ጀሚሩ ኣሎ እውን ኢሎም። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ብሞት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስነስርዓት ምውላዕ ሽምዓ፣ ዝኽሪን ናይ ተቓውሞ ሰልፍታትን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣሜሪካ፣ ካናዳን፣ብሪጣንያን፣ጀርመን፣ስዊድንን ኔዘርላንድን ንሳልሳይ መዓልቲ ከምዝቐፀለ ተፈሊጡ። ትማሊ ምሽት ኣብ ሚነሶታ ዝተኻየደ ግን እቲ ዝዓበየ እዩ ተባሂሉ ኣሎ። ኣብቲ ስነስርዓት ናይታ ክፍለ ግዝኣት ኣማሓዳሪን ከንቲባታትን ሓዘኖምን ደገፎምን ገሊፆም። ብኻልእ ዜና ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኣብ ኢትዮጵያ ይምዕብል ዘሎ ኩነታት ብቐረባ ይከታተሉዎም ከምዘለው ወሃቢ ቃሎም ስቴፈን ዱጃሪክ ገሊፆም። ንስድራ ሃጫሉን ኣብቲ ዕግርግር ህይወቶም ዝስኣኑን ሓዘኖም ገሊፆም ኣለው። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ገበነኛታት ብቕልጡፍ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ዘርኣዮ ድልውነት ብሓጎስ ተቐቢሎምዎ ኣለው። ኩሎም ወገናት ነቲ ወጥሪ ካብ ዘጎሃህር ስጉምቲ ክዕቀቡን ህድኣት ክዓስልን እቶም ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ፀዊዖም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-will-act-decisevely-against-the-spoilers-said-government-spokesperson\/5488005.html"} {"headline":"ሚ\/ወ\/ጉ ግብጺ: ሕ\/ሃ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ልዝብ ግድብ ህዳሴ ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ዝብል ውሳነ ከሕልፍ ጸዊዖም","content":"ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳመሕ ሹክሪ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ግብፂ፣ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝካየድ ዘሎ ልዝብ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ኣብ ኣዕጋቢ ሓባራዊ ስምምዕ ክበፅሓ ውሳነ ከሕልፍን ዝኾነት ትኹን ሃገር በይናዊ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ክትቑጠብን ፀዊዖም። ኩለን 15 ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ብሕብረት ኣፍሪቃ ይሳለጥ ዘሎ ሓዱሽ ልዝብ ደገፈን ገሊፀን ኣለዋ።ድልየት ኢትዮጵያ ሕቡራት ሃገራት ካብቲ ልዝብ ክወፅእን ነቲ ጉዳይ ሕብረት ኣፍሪቃ ክሕዞን እዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A-%E1%8B%88-%E1%8C%89-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%8C%BA-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%88%8D%E1%8B%9D%E1%89%A5-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%8A%A8%E1%88%95%E1%88%8D%E1%8D%8D-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%96%E1%88%9D-\/5486576.html"} {"headline":"ሁማን ራይትስ ዎች ሰበ ስልጣን ጅቡቲ ጉዳይ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ኣብራሪ ነፋሪት ብዘይድልዎ ክምርምርዎ ጸዊዑ","content":"ሰበስልጣን ጅቡቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከብ ኣብራሪ ነፋሪት ዝነበረ ብሕማቕ ተታሒዙ ኣሎ ንዝብል ክሲ ብዘይኣድልዎ ክምርመርዎን ፍትሒ ናይ ምርካብ መሰሉ ከኽብሩን ኣለዎም ክብል ንሰብኣዊ መሰላት ዝሕለቕ ትካል ሁማን ራይትስ ዎች ጸዊዑ። ኣብ ሓይሊ ኣየር ጅቡቲ ሓለቓ ሚእቲ ዝነበረ ፋኡድ ዮሱፍ ዓሊ ኣብ መወዳእታ ወርሒመጋቢት 2020 ዑቑባ ንምሕታት ናብ ጎረቤት ሃገር ሃዲሙ።ክሃድም ከሎ ግን ንላዕለዎት ወታደራዊ ሰበስልጣን ብክሲ ብልሽውና ዝኸስስን ኣብ ዓሌት ዝተመስረተ ዓሌታዊነት ከምዘሎን ሰራዊት እታ ሃገር ኣንፃር መንግስቲ ክዕምፅን ዝፅውዕ ቪዲዮ ዘርጊሑ እዩ ወፂኡ።ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ግን ኢትዮጵያ ነቲ ፓይለት ናብ ጅቡቲ ኣባሪራቶ፤ብዘይጠብቓ ብክሕደት ተኸሲሱ ይርከብ። ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብሕማቕ ተታሒዙ ከምዝርከብ ቪዲዮ ምስ ዘርግሐ ህዝባዊ ቁጥዐ ኣልኢሉ ክፍታሕ ዝፅውዑ ሰልፍታት ተኻይዶም እዮም። ሰበስልጣን ጅቡቲ ነቲ ኽሲን ሕማቕ ኣተሓሕዛ ክምርምሩዎን መሰረታዊ መሰላቱ ክሕለውን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዳይረክተር ሁማን ራይትስ ዎች ላቲታ ባደር ጸዊዓን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%81%E1%88%9B%E1%8A%95-%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%89%B5%E1%88%B5-%E1%8B%8E%E1%89%BD-%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%88%AA-%E1%8A%90%E1%8D%8B%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8B%AB%E1%8B%B5%E1%88%8D%E1%8B%8E-%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8B%8E-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%91\/5486567.html"} {"headline":"ስነ ስርዓት ቀብሪ ህቡብ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ተፈጺሙ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ሞት ፍሉጥ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንደሳ ብዝቐጸለ ህውከት ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 80 በጺሑ’ሎ። ሎሚ ኣብ ኣምቦኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ቀብሩ፥ ክልተ ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ። ብኻልእ ወገን፥ መንግስቲ ልዕልና- ሕጊ ንምኽባር ከምዝተበገሰ ብትሪ ኣሰሚዑ`ሎ። ስነ-ስርዓት ቀብሪ ህቡብ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንደሳ ሎሚ ኣብ ናይ ትውልዲ ዓዱ ኣምቦ ተፈጺሙ`ሎ። እንተኾነ ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሩ`ውንጎንጺ ኔሩ። ዝተወሰኑ ሰባት ነቲ ኣስከሬን ካብ ስድራቤቱ ብሓይሊ ክወስድዎ ፈቲኖም። ተኹስን ፍንጀራታትን ተሰሚዑ፥ ክልተ ሰባትሞይቶም ካልኦት ሸውዓተ ቆሲሎም። ኣብ ከተማ ኣምቦገና ወጥሪ ሓይሉ`ሎ ። ስነ-ስርዓት ምፍናው ሬሳ ሃጫሉ ኣብ ስታድየም ዩኒቨርሲቲ ኣምቦ`ዩ ተኻይዱ። ስነ-ስርዓት ቀብሩ ከመይ ከምዝነበረ ክገልጽ ብድምጺ ኣሜሪካ ዝተሓተተ ሓዉ ሃብታሙ ሁንዴሳ ከምዚ ይብል፥ “ሓወይ ክቕተል ዝግብኦ ኣይነበረን። ምስ ሞተ ግን ዝግበር ነገር የለን። ሃጫሉብሰላም ክዓርፍ`ዩ ዘለዎ`ምበር ንኣስከሬኑ ምክልባትን ንስነ-ስርዓት ቀብሪ ምህዋኽን ነውሪ`ዩ” ኢሉ። ብምኽንያት ስግኣት ጸጥታ ግን ውሑድ ዝበል ቁጽሪ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ከምዝተሳተፈ`ዩ ሓዉ ሃብታሙ ሁንዴሳ ንድምጺ ኣሜሪካ ይገልጽ። ንሱ ብሞት ሓዉ፥ ምሉእ ቤተ-ሰብ ኣዝዩ ከምዝሓዘነ ድሕሪ ምግላጽ፥ እንተኾነ፡ ፍጹም ካብ ድልየት ቤተ-ሰብ ወጻኢ ብዝኾነኣካይዳ፥ ዝቕበረሉ ቦታ ንምውሳንን ንስነ-ስርዓት ቀብሩ ንምህዋኽን ዝተገብረ ፈተነ ዘሕፍር ተግባር`ዩ ኢሉዎ። “ከተማ ኣምቦ ዝተወልደሉን መዳሕንቱ ዝተቐብረሉን`ዩ። ካልኣይ ድማ እንተሞይተ ካብ ኣምቦ ወጻኢ ከይትቐብሩኒ ይብል ኔሩ`ዩ። ስለዚእዚ ድልየት ስድራቤት`ዩ። ካብ ድልየትና ውጻኢ ካልእ ክትገብር ምፍታን ግን ዘሕፍር`ዩ ።” ኣተሓሒዙ ሓዉ ንሃጫሉ- ሃብታሙ ሁንዴሳ መንእሰያት፥ ብስምዒት ተለዓዒሉ ሓደ ነገር ቅድሚ ምግባሩ፥ ደው ኢሉ ክሓስብ ይግባእ ኢሉ`ሎ-። ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ድማ፡ ቅድሚ ትማሊ ሰሉስ ብፖሊስ ዝተኣስሩ መራሕቲ ተቓወምቲ ጃዋር መሓመድን በቀለ ገርባን፥ ሎሚ ናብቤት ፍርዲ ቀሪቦም ኔሮም። ዳኛ ንክልተ ሰሙን ቆጺርዎም። ብኻልእ ወገን መራሒ ባልደራስ ዝተባህለ ተቓዋሚ ፓርቲ እስክንድር ነጋ ፥ዓሌታዊ ጎንጺ ኣለዓዒልካ ተባሂሉ ትማሊ ብፖሊስተኣሲሩ`ሎ- ። ብኻልእ ወገን ፥ መንግስቲ፥ ድሕሪ ደጊም ልዕልና ሕጊ ንምኽባር ሰጋእ ከምዘይብል ኣፍሊጡ`ሎ። ጠቕላሊት ዓቃቢት ሕጊ ኢትዮጵያ፥ወ\/ሮ ኣዳነች ኣበበ ብዛዕባ`ዚ ስምዕታ ክትገልጽ ከላ፥ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዝነበሮ ድልየት፥ ኣብዛ ንወለዶታት ናይምዝራብ ናጽነትን ኣሳታፊ ደሞክራሲን ተሓሪምዋ ዝጸንሐት ሃገር፡ ንናጽነት ፕረስን ኣሳታፊ ደሞክራስን ባይታ ንምኽፋት ከም ዝነበረድሕሪ ምጥቃስ፥ መንግስቲ ኣብዚ እዋን`ዚ፥ ልዕልና ሕጊ ካብ ምኽባር ካልእ ኣማራጺ ከምዘይብሉ ኣፍሊጣ`ላ። ሎሚ`ውን ኣብ ምልእቲ ሃገር ሓሓሊፉ ግጭታት ምንባሩ ወኪላትና ሓቢሮም ኣለዉ። ሓይልታት ፈደራል ፖሊስ`ውን ኣብ መንጎዝጋጨዉ መንእሰያት ኣትዮም ነቲ ግጭት ከተሃዳድኡ ይፍትኑ ከምዝነበሩ ይግለጽ ኣሎ። ኣብ ገለ ከባብታት በቲ ናይ መበል 19 ክፍለ-ዘመን ንጉስ ንዝጽዋዕ ሓወልትታት ንምውራድን ሆስፒታላት ንምዕናውን ፈተነታትምንባሩ`ውን ተሓቢሩ`ሎ። ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ብዝቐጸለ ጎንጽታት፥ ዛጊት ብድምር ዝሞቱ ልዕሊ 80 በጺሖም ከምዘለዉ- ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ኣፍሊጦምኣለዉ። ብዝተሓሓዝ ዜና ኣቦ-መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ፥ ንቤተ-ሰብ ሃጫሉ ጽንዓት ብምምናይ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ነዚዘሎ ኩነታት ካብ ዘጋድድ ተግባራት ክቑጠቡ ጸዊዑ`ሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ገበርቲ እከይ ናብ ፍትሒ ከቕርብ ኣለዎ ዝበለ ሙሳ ፋቂ፥ ንመንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ንህድእትንሰለማዊትን ብልጽግትን ሃገር ዘለዎም ጻዕሪ ሕብረት ኣፍሪቃ ድጋፉ ይገልጽ ኢሉ`ሎ። ካብ ጎረቤት ሃገር ኤርትራ ድማ ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፥ህይወት መሳጣይ ደራፋይኦሮሞን ተቓላሳይ ፍትሒን ሃጫሉ ሁንደሳ ብዘሕዝን ተግባር ተቐንጢቡ`ሎ ኢሉ። ኣቶ የማነ ብትዊተር ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፥ንስድራቤቱን ንሚልዮናት ኣድነቕቱን ከምኡ`ውን ንህዝቢ ኦሮሞን ኢትዮጵያን ጽንዓት ይሃብኩም ኢሉ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5486400.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝጀመረ ተቓውሞ ሎሚ'ውን ቀጺሉ ውዒሉ'ሎ","content":"ድሕሪ ቅትለት ፍሉጥ ኢትዮጵያዊ ደራፋይ ሃጫሉ ሁንደሳ ሎሚ `ውን ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታት ኦሮሚያ ተቓውሞታት ቀጺሉ ውዒሉ። በቲ ዝተወልዐ ተቓውሞ ብውሕዱ 52 ሰባት ክሞቱ ከለዉ ብርክት ዝበሉ ካልኦት ምቑሳሎም ኮሚሽነር ፖሊስ ኦሮሚያ ኣራርሳ መርዳሳ ኣፍሊጡ። ፖሊስ ኣባል ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ጃዋር መሓመድ ዝርከቦም ብርክት ዝበሉ ሰባት ምእሳሩ`ውን ኣፍሊጡ`ሎ። ብመሰረት ሓበሬታ ፖሊስ፥ ኣስከሬን ሃጫሉ ናብ ናይ ትውልዲ ዓዱ ከተማ ኣምቦ ኣብ ዝጉዓዘሉ ዝነበረ እዋን፥ ሓለውቲ ጃዋር መሓመድ ምስ ፖሊስ ከም ዝተጋጨውን፥ ካብ ሓለውቲ ጃዋር ብዝተተኮሰ ጥይት ሓደ ኣባል ፍሉይ ሓይሊ መንግስቲ ከም ዝተቐተለን ተፈሊጡ`ሎ። ምስዚን ካልኦት ጉዳያትን ብዝተተሓሓዘ ጃዋርን ሓሙሽተ ሓለውቱን ዝርከብዎም ካልኦት ሰባትን ብፖሊስ ከም ዝተኣሰሩ ተፈሊጡ`ሎ። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብምኽንያት ቅትለት ሃጫሉ ሁንደሳ ንህዝቢ`ታ ሃገር ኣብ ዘስምዖ መደረ፥ ክቡር ህይወት ኢና ስኢና ብምባል ሓዘኑ ድሕሪ ምግላጽ ሃጫሉ ዝጀመሮ ቃልሲ ብገበርቲ እከይ ከምዘይተዓናቐፍ ከረጋግጸልኩም እፈቱ ኢሉ`ሎ። ኣቦ-መንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዳውድ ኢብሳ ንድምጺ ኣሜሪካ ክዛረብ ከሎ ሰልፈኛታት ሕትኦም ብሰለማዊ መንገዲ ክገልጹ ዝጸውዐ ክኸውን ከሎ፡ መንግስቲ ድማ ነቲ ዝጸንሐ ጉዳይ ኣሳታፊ ብዝኾነ መንገድ ክፈትሖ ኣለዎ ኢሉ። ኣብታ ሃገር ካብ ዝካየድ ዝኾነ ጎንጺ`ውን ነብሱ ኣርሒቑ`ሎ። ኣተሓሒዙ ዕላማ ናይቲ ቅትለት ክርድኣና ኣይክኣለን፡ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘጋጩ ስራሕ ግን ክስራሕ የብሉን፡ መንግስቲ ንቀተልቲ ናብ ፍትሒ ንምምጻእ ናጻ ዝኾነ መርመራ ከካይድ ኢና ንሓትት ኢሉ። ዛጊት ክልተ ሰባት ምስ ቅትለት ድምጻዊ ሃጫሉ ብዝተተሓሓዘ ተታሒዞም ምህላዎም ዝገለጸ ፖሊስ፥ ኣቶ ጃዋር መሓመድን ኣቶ በቀለ ገርባን ዝርከብዎም 35 ሰባት`ውን ከም ዝተኣስሩ ተሓቢሩ`ሎ። ኣብኡ ንሃጫሉ ኣቶ ሁንደሳ ቦንሳ፥ ደም ወደይ ዘፍሰሱ ሰባት መንግስቲ ናብ ቅድሚ ሕጊ ከቕርበለይ እደሊ ኣለኹ ኢሎም። ድማጻዊ ሃጫሉ ናይ ሓደ ወርሒ ዝረከቦም ሰለስተ ዝፈትዎም ደቁ ገዲፉ`ዩ ከይዱ ክብሉ`ውን ብምረት ተዛሪቦም። ብኻልእ ወገን ኣስከሬን ሃጫሉ ናብ መንበሪ ዓዱ ኣምቦ ንምውሳድ ኣብ ዝንበረ ጉዕዞ፥ ካልኦት ወገናት ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምውሳድ ኣብ ዝብል ብዝተፈጥረ ግጭት፥ ሸውዓተ ሰባት ሙሟቶምን 30 ካልኦት ምቑሳሎምን ፖሊስ ኣፍሊጡ`ሎ። ኣቦ ሃጫሉን ኣሕዋቱን፡ ኣስከሬኑ ኣብ ናይ ትውልዲ ዓዱ ከተማ ኣምቦ ክዓርፍ ድልየቶም ምዃኑ ተዛሪቦም ኣለዉ። ብኻልእ ወገን \"ሞት ድምጻዊ ሃጫሉ ነዛ ሃገር ልቢ ኣብ ዝሰብር ሓዘን ኣእትዩዋ” ዝበለ ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን ኦሮሚያ ኣቶ ጌታቸው ባልቻ፥ ብሄር ምስ ብሄር ሃይማኖት ምስ ሃይማኖት ብምግጫው፥ ሃገር ናብ ህውከት ንክተምርሕ፥ ነቲ ቅትለት ካብ ምምራሕ ጀሚሮም፥ ድሕሪ `ቲ ቅትለት ድማ ኣስከሬኑ ብምንክልባት ሃገር ንምርባሽ ውዲት ናይ ዝኣለሙ ዝተወሃሃደ ኢድ ከም ዘሎ መንግስቲ ከም ዝኣምን ገሊጹ። መንግስቲ ክሳብ ሕጂ ብዝረኸቦ መረዳእታ 50 ንጹሓን ዜጋታት ብዝተፈላለየ መንገዲ ምቕታሎምን ንብረት ምዕናዉን ኣካል ምጉዳሉን`ውን ጠቒሱ`ሎ። ኣታሓሒዙ መንግስቲ ካብ ሎሚ ንድሓር ሃገር ክርበሽን ንጹሃን ክቕተሉን ትም ኢሉ ኣይክርእን`ዩ ዝበለ ኣቶ ጌታቸው፥ ናይ ሃጫሉ ሞት ናይ ምልእቲ ሃገር ሓዘን ብምዃኑ ምፍናዉ ብሰለማዊ መንገዲ ክኸውን ሓቲቱ`ሎ። ብኻልእ ዜና ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብዝተወሰኑ ሰባት መጥቃዕቲ ከምዝወረዶ ምክትል ኣምባሳደር ኣበቢ ደምሴ ካብቲ ቦታ ንንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ። ንሱ ኣብ መንግለጺኡ፥ ብሞት ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንደሳ ዝተቖጥዑ ሓጻውን ተቓጻላን ነገራትን ዝሓዙ ዝበልዎም 50 ዝኾኑ መንእሰያት ነቲ ኤምባሲ ምውራሮምን ንባንዴራ ኢትዮጵያ ኣውሪዶም ካልእ ባንዴራ ምስቃሎምን፥ ንሓደ ክወጽእ ዝረኸብዎ ተገልጋላይ ከምዝሃረምዎን፥ ማዕጾ ብሓይሊ ስይሮም ክኣትዉ ምፍታኖምን መስኮት ምስባሮምን ገሊጹ። ። ድሕሪ`ዚ ኣባላት ፖሊስ እንግሊዝ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ኣድላይ ዝበልዎም መረዳእታታት ምእካቦም ኣምባሳደር ኣባቢ ደምሴ ወሲኹ ሓቢሩ`ሎ። ኣብ ዝተፈላየያ ከተማታት ኦሮሚያ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ከምዝወዓለን ህይወት ሰብ ከም ዝሓለፈን ንብረት ከምዝዓነወን ንምንጭታት ብምጥቃስ ዝጸብጸበት ወኪልና ጸሃይ ዳምጠው፥ ከተማ ኣዲስ ኣበባ`ውን ሎሚ ብዙሕ ምንቅስቓሳት ከምዘይርኣያ ሓቢራ`ላ። ናብዚ ኢትዮጵያ እትርከበሉ ዘላ ፖለቲካዊ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ዓበይቲ መድረኻት ሓያል ፖለቲካዊ ደርፍታት ኣፋን ኦሮሞ ብምቕራብ ዝፍለጥ ወዲ 30 ዓመት ሃጫሉ ሁንደሳ፥ ቅድሚ ትማሊ ሰኑይ ብመኪና ኣብ ሓደ ቦታ ድሕሪ ምኻዱ፥ ጉዳዩ ጌሩ ናብ መኪንኡ ክምለስ ከሎ ክከታተልዎ ብዝጸንሑ ሰባት ብጥይት ተሃሪሙ ከምዝሞተ ኮሚሽን ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ`ሎ። ምስቲ ቅትለት ብዝተሓሓዝ ብኡ ንብኡ ክልተ ሰባት ኣብ ቁጽጽር ከምዘእተወ ዝገለጸ ፖሊስ፥ ድሕሪኡ ብዛዕባ ዝተወስደ ናይ ምጽራይ ኮነ ናይ ቤት ፍርዲ መስርሕ ዝሃቦ ሓዲሽ ሓበሬታ የለን። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሁማንራይትስ ዋችን`ውን ብግዲኦም ተሓተቲ ናብ ፍትሒ ክቐርቡ ጸዊዖም ኣለዉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%8C%80%E1%88%98%E1%88%A8-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%88%9E-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%89%80%E1%8C%BA%E1%88%89-%E1%8B%8D%E1%8B%92%E1%88%89-%E1%88%8E\/5485151.html"} {"headline":"መደረ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ብምክንያት ሞት ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ብመሓውራት ዜና’ታ ሃገር ንህዝቢ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብምክንያት ቅትለት ህቡብ ድምጻዊ ኣፋን ኦሮሞ ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተሰምዖም ሓዘን ዓሙቕ እንተኾነ’ዃ ድልየት ጸላእትና ዝጀመርናዮ ንከይዕወት: ህዝቢ ኦሮሞ በዚ ምክንያት ምስ ካልኦት ብሄራት ንኽባላዕን ክቓተልን ደም ክፋሰስ ጉዕዞና ክተዓናቐፍ ብተደጋጋሚ ፈቲኖም’ዮም ድሕሪ ምባል ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ ኣብ አዲስ አበባ ዝተፈጸመ ጠቒሶም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8B%B0%E1%88%A8-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%89%B5-%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BB%E1%8B%8A-%E1%88%83%E1%8C%AB%E1%88%89-%E1%88%81%E1%8A%95%E1%8B%B4%E1%88%B3\/5485117.html"} {"headline":"ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ለንደን መጥቓዕቲ ከምዘጋጠሞ ተገሊጹ","content":"ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ለንደን ትማሊ ሰሉስ መጥቓዕቲ ከምዝወረዶ ናይቲ ኤምባሲ ምኽትል ኣምባሳደር ኣበበ ደምሴ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም። ብድምፃዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ሞት ዝተቖጥዑ ብረትን ተባራዓይን ነገራት ዝሓዙ ልዕሊ 50 መናእሰይ ነቲ ኤምባሲ ወሪሮም ናይታ ሃገር ባንዴራ ኣውሪዶም ናይ ኦነግ ባንዴራ ምስቃሎም ገሊፆም።ካብቲ ኤምባሲ ይወፅእ ዝነበረ ሓደ ተገልጋሊ መውቓዕቲ ከምዝወረዶ ነቲ ማዕጾ ብሓይሊ ጥሒሶም ንምእታው ምፍታኖም እቶም ኣምባሳደር ሓቢሮም ኣለው። ኣምባሳደር ኣበበ ደምሴ ካብ ኢትዮጵያዊያን ባህሊ ወጻኢ ትፅቢት ዘይተገብረሉ ኣነዋሪ ተግባር ክብሉ ነቲ ፍጻመ ብትሪ ኾኒኖምዎ ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%9E%E1%89%B5-%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BB%E1%8B%8A-%E1%88%83%E1%8C%AB%E1%88%89-%E1%88%81%E1%8A%95%E1%8B%B4%E1%88%B3-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%86%E1%8C%A5%E1%8B%91-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8A%A4%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%88%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8C%A5%E1%89%95%E1%8B%96%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5485097.html"} {"headline":"ኣቶ ጀውሃር መሓመድ ሓዊሱ 35 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ","content":"ኣቶ ጀውሃር መሓመድን ካልኦት ውልቀሰባትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ፈደራል ፖሊስን ፖሊስ ክልል ኦሮምያን ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣፍሊጦም። ንመሓውራት ዜና ውሽጢ ሃገር መግለጺ ዝሃቡ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፈደራል ፖሊስ ጀነራል እንዳሻው ጣሰውን ንኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ኦሮምያን ብምጥቃስ መብርሂ ዝሃቡ ዳይሬክተር ጉዳያት ኮሚኒኼሽን ጀላን አብዲ ኣብ ከይዲ ምፍናው ሬሳ ህቡብ ድምጻዊ ኣፋን ኦሮማ ሃጫሉ ሁርዴሳ ሓደ አባል ፖሊስ ምቕታሉ ጠቂሶም እቲ ፖሊስ ዝተቐተለ ምስ ኣቶ ጀውሃር መሓመድ ብዝነበረ ሰብ ምዃኑ ገሊጾም። ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኣቶ ጀውሃር መሓመድን ሓሙሽተ ሓለውቶምን ከምኡ'ውን ካልኦት ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ'ሎ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%8C%80%E1%8B%8D%E1%88%83%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%88%93%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%88%93%E1%8B%8A%E1%88%B1-35-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5483823.html"} {"headline":"ህቡብ ድምጻዊ አፋን ኦሮሞ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝተተኮሰሉ ጥይት ህይወቱ ሓሊፉ","content":"ህቡብ ድምጻዊ አፋን ኦሮሞ ሃጫሉ ሁንዴሳ ትማሊ ምሸት ከባቢ ሰዓት 9:30 ኣብ 'ገላን ኮንደሚንም' ዝተባህለ ከባቢ ከተማ አዲስ አበባ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ሰባት ብጥይት ተሃሪሙ ምሟቱ ተገሊጹ'ሎ። ኮሚሽነር ፖሊስ ከተማ አዲስ አበባ ኮሚሽነር ጌቱ አርጋው ንመሓውራት ዜና ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣርቲስት ሃጫሉ ምቕታሉ ዝምልከት ድሕሪ ዝረኸብዎ ሓበሬታ ነቲ ኩነታት ይከታተልዎ ከምዘለውን በቲ ተግባር ንዝተሳተፉ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምእታው'ውን ይሰርሑ ምህላዎም ሓቢሮም ኣለው። ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ብሞት ህቡብ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተሰምዖም ሓዘን ብምግላጽ ኣብ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ገጻት ኣብ ዘስፈርዎ መግለጺ 'ክቡር ህይወት ኢና ስኢና' ኢሎም ኣለው። ንሞት ድምጻዊ ሃጫሉ ስዒቡ ንዝሰዓበ ተቓውሞ ብዝምልከት ተሓለቕቲ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናልን ሁማን ራይት ዎችን መንግስቲ'ቲ ዝግባእ ምርመራ ብምክያድ ተሓተቲ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ጸዊዖም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BB%E1%8B%8A-%E1%8A%A0%E1%8D%8B%E1%8A%95-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9E-%E1%88%83%E1%8C%AB%E1%88%89-%E1%88%81%E1%8A%95%E1%8B%B4%E1%88%B3-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%B0%E1%8A%AE%E1%88%B0%E1%88%89-%E1%8C%A5%E1%8B%AD%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%89%B1-%E1%88%93%E1%88%8A%E1%8D%89\/5483807.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ወፍሪ(ኢንቨስትመንት) ይውስኽ ምህላው ተገሊጹ","content":"ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንትን ሰደድን ክልል ትግራይ ኢንጂነር ኣበበ ተሰማ ህልው ኩነታት ኢንቨስትመንት ክልል ትግራይ ምስ ህፁፅ ኣዋጅ ኮቪድ 19 ከመይ የፍፅምዎ ከምዘለዉ ገሊጾም ኣለው ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%88%E1%8D%8D%E1%88%AA(%E1%8A%A2%E1%8A%95%E1%89%A8%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%B5)-%E1%8B%AD%E1%8B%8D%E1%88%B5%E1%8A%BD-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5482228.html"} {"headline":"ብቱሪዝም ትፍለጥ ከተማ ሃዋሳ ቫይረስ ኮሮና ንቁጠባኣ ከምዝሃሰዮ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ብቱሪዝም ትፍለጥ ከተማ ኣዋሳ፥ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ቁጠባኣ ብከቢድ ከምዝተጎድኤ ምምሕዳር `ታ ከተማ ይገልጽ ኣሎ። ዓበይቲ ሆቴላታን ናእሽቱ ኣብያተ ንግድን ምዕጻዎም ካብ በጻሕቲ ዝርከብ ኣታዊ ኮነ ማሕበራዊ ምንቅስቓስ ብኸቢድ ከም ዝጎድኦ ዝገልጸ ምምሕዳር ኣዋሳ፥ ነቲ ዝዘሓለ ቁጠባ ንምብርባር ዘኽእል መጽናዕቲ ይካየድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ብኻልእ ወገን ነቲ ቫይረስ ናይ ምክልኻል ስራሕ ይቕጽል ምህላዉን፥ ህዝቢ ድማ ሽሕ`ኳ ንእገዳ ምንቅስቓስ ዕሽሽ ይብሎ እንተሃለወ- ምሽፋን ኣፍንጫን ኣፍን ግን እናለመዶ ምምጽኡ ምኽትል ከንቲባ ከተማ ሃዋሳ ኣቶ ጥራቱ በየነ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%89%B1%E1%88%AA%E1%8B%9D%E1%88%9D-%E1%89%B5%E1%8D%8D%E1%88%88%E1%8C%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%83%E1%8B%8B%E1%88%B3-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8A%95%E1%89%81%E1%8C%A0%E1%89%A3-%E1%8A%A3-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D-%E1%88%83%E1%88%B0%E1%8B%AE-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5482088.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ንግድብ ህዳሴ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ምምላእ ከምትጅምር ሓቢራ","content":"ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ሰሙናት ኣብ ዓብዩ ግድብ ህዳሴ ማይ ምምላእ ከምእትጅምር ሚንስትር ማይ፣መሰኖን ኤሌክትሪክን ዶክተር ስለሺ በቀለ ገሊፆም።ንሶም ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾኑ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃን ሰሪል ራማፎሳ ኣቦ መንበርትነት ዝተኻየደ ልዝብ ነቲ ምምላእ ማይ ክጸንሕ ዝእንፍት ኣይነበረን ክብሉ ኣብሪሆም። ዶክተር ስለሺ በቀለ እቲ ጉዳይ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙናት ልዝብ ክዛዘምን ኣብ ውጽኢት ክብፃሕን ዝብል ሓሳብ ከምዝተቐመጠ ሓቢሮም። ‘’ብወገና እቲ ግድብ ማይ ክዓቁር ንሰርሕ ኣለና ፤ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ናይ ምምላእ ስራሕ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ክትጅምር እያ’’ ኢሎም። ኢትዮጵያ፣ግብፅን ሱዳንን ካብቲ ኣኼባ ተመሳሳሊ ኣረዳድኣ ሒዘን ወፂአን'ዶ ንዝብል ዝቐረበሎም ሕቶ: ዶ\/ር ስለሺ ብደረጃ መራሕቲ ዝተፈላለየ ኣረዳድኣ ዝተትሓዘሉ ወይ ዝተነገረ ኣይሰማዕኹን ኢሎም። ምምላእ ማይኮ ቅድመኩነት ስምምዕነት ኣይኮነን፤ ህንፀት ናይቲ ግድብ ኣብዝተወሰነ ደረጃ ክበፅሕ ከሎ ናይቲ ማይ መጠን ክበዝሕ ከሎ ዝዓቁር ማይ እዩ ክብሉ ኣብሪሆም። ’’እቲ ግድብ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በፂሑ እዩ።ነቲ ጉዳይ ኣዕሚቑ ንዝርድኦ ሰብ ምምላእን ምፍርራምን ዝተፈላለዩ ጉዳያት እዮም፤ቅድመ ኩነት ድማ ዝኾነት ትኹን ሃገር ኣብ ልዕሊ ካልእ ልኡላዊ ሃገር ከተቐምጥ ኣይትኽእልን\" ኢሎም። ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት እዚ ጉዳይ ብሚዲያ ይኹን ብዝውሃብ መግልፂ ምጉሁሃር ኣየድልን ክብሉ ምምዓዶም እውን ዶክተር ስለሺ በቀለ ገሊጾም። ነቲ ምምላእ ዘድልይ ምፅራይ መሬት ይሳልጥ ኣሎ፤ንመጀመሪያ ማይ ዝዓቁር መሬት ፀሪዩ ኣሎ ኢሎም። ብዝተኣሳሰረ ዜና ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ዝተኻየደ ስምምዕነት እቲ ልዝብ ናብ ኣፍሪቃ ምምላሱ ዘረጋገፀ እዩ ክብሉ ሓላፊ ፕረስ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ገሊፆም። ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ብኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾኑ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ሰሪል ራፋሞዛ ኣካቢነት ኣብ ዓብዩ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ሱዳን፣ግብፅን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ስምምዕነት እቲ ልዝብ ናብ ኣፍሪቃ ን ኣፍሪቃ ዊያንን ምምላሱ ዘረጋገጸ እዩ ክብሉ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ሎሚ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም። ‘’እዚ ልዝብ፣እዚ መድረኽ ናይ ኣፍሪቃ ኣጀንዳ መሊሱ ብኣፍሪቃዊያን ኣብ መሬት ኣፍሪቃ ብዛዕባ ኣፍሪቃ ናይ ምምኽኻር ጉዳይ ስለዝኾነ ብባህሪኡ ፍልይ ዝበለ እዩ’’ ኢሎም ። ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘቐመጦ ግዜ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙናት ማይ ምምላእ ንምጅማር ምርብራብ ይግበር ኣሎ፤ኣብቲ ዘቐመጥናዮ እዋን ክንዛዝሞን ኢና ኢሎም ። ኢትዮጵያ ምስ ዝኾነ ይኹን ወገን ንምልዛብ ቅርብቲ እያ ዝበሉ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ኢትዮጵያ ምምላእ ናይቲ ግድብ ንምፅናሕ ተሰማሚዓ ዝብል ካብ ግብፂ ተወሂቡ ዝብሃል ዘሎ ኣብቲ ልዝብ ዘይነበረን አድላይ ዘይኮነ መግለፅታት ካብ ምሃብ ምቑጣብ ንዝብልን ስምምዕ ዝጠሓሰ እዩ ከምኡ ዝብል ኣጀንዳ ይኹን ስምምዕ ኣይነብረን ኢሎም። ነቲ ጉዳይ ናብ ሕቡራት ሃገራት ይኹን ናብ ዋሽንግተን ኣይኸይድን ማለት ድዩ ተባሂሎም ዝተሓተቱ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን እቲ ጉዳይ ብኣፍሪቃዊን ምትሓዙን ኣብዚ ክውዳእን ዝብል መግለፂ ብሕብረት ኣፍሪቃ ንሕቡራት ሃገራት ክግለፅ ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ ኣሎ ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-will-satrt-filling-the-renaissance-dam-after-two-weeks-said-ethiopia\/5481903.html"} {"headline":"ኬንያ: ብሰንኪ ማስክ ምስ ፖሊስ ብዘጋጠመ ግጭት ሰለስተ ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ","content":"ሌሶስ ኣብ ዝተባህለት ንእሽተይ ከተማ ዝርግሓ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዝተወሰነ ማስክ(መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን)ምክንያት ኣብ መንጎ ነበርቲን ፖሊስን ብዝተላዕለ ግጭት ሰለስተ ሰባት ምሟቶም ናይ ዓይኒ መሰካኽር ሓቢሮም። ፖሊስ ሞት እቶም ሰለስተ ሰባት አረጋጊጹ’ሎ። ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት’ታ ሃገር ፖሊስ ብሰንኪ ዓለምለኸ ለበዳ ቫይረስኮሮና ዝተነብሩ እገዳታትን ውሳነታትን ንምትግባር ብዝብል ዘይሕጋዊ ቕትለት የካይዱ ምህላዎም ክኸሱ ጸኒሖም’ዮም።ብተወሳኺ ፖሊስ ብላዕ ወይ ጉቦ ንምርካብ ይጥቕምሉ ከምዘለው ይሕብሩ። እቲ ግጭት ነበርቲ ከተማ ሌሶስን ፖሊስን ዘጋጠመ ፖሊስ ማስክ ኣይገበረን ንዝበልዎ ውልቀሰብ ንምውሳድ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን’ዩ። መንግስቲ ኬንያ ዝርግሓ ቫይረስ ኮሮና ንምቁጽጻር ዜጋታት ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ማስክ ክገብሩን ምስ ዘይገብሩ ድማ 200 ዶላር ክቕጽዑ ምውሳኑ ይፍለጥ። ወሃቢ ቃል ፖሊስ ቻርለስ ኦውኒዎ ብወገኑ መንግስቲ ከም መጉዓዝያ ዘገልግላ ሞተር ሳይክል ሓደ ሰብ ጥራይ ክጽዕና ድሕሪ ምውሳኑ ክልተ ሰባት ዝጸዓኑ ሰባት ክቕጽዑ ጸኒሖም። በዚ መሰረት ፖሊስ ነቲ ክልተ ሰባት ጽዒኑ ዝተረኽበ ውልቀሰብ ክወስዱ ኣብ ዝፈተንሉ ካልኦት ብምክልካሎም ምስ ፖሊስ ግጭት ምልዓሉ ይገልጽ። ፖሊስ ኬንያ ብክስታት ብልሽውና ብተደጋጋሚ ብትካላት ብተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክኽሰስ ምጽንሑ ይፍለጥ ። ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ወዲ 13 ዓመት ዝርከብዎም 15 ሰባት ነቲ ምስ ቫይረስ ኮሮና ብዝተሓሓዝ ዝወጸ ሓደሽቲ ሕግታትን ቀይድታት ንምትግባር ብዝብል ምቕታሎም ይሕብሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AC%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%88%9B%E1%88%B5%E1%8A%AD-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5478846.html"} {"headline":"ፕረ.ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንናይ ሰለስተ መዓልታት ምብጻሕ ሱዳን ኣትዩ","content":"ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዕድመ ናይ ሱዳን መራሒ ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሓን ሎሚ ሓሙስ ንናይ ሰለስተ መዓልታት ምብጻሕ ናብ ሱዳን ከምዝገሹ ተፈሊጡ። ዑደት ፕረዚደንት ኢሳያስ ንክልትኣዊ ርክባትን ዞባዊ ምትሕብባር ንምሕያል ምዃኑ ሚንስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውፅእዎ ናይ ቲዊተር መልእኽቲ ገሊፆም። ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ሱዳንን እቲ ዞባን ለውጢ ድሕሪ ምምፅኡ ዘለው ክልቲኣዊ ርክባት ብምግምጋም ዓበይቲ ትልምታት ንምድንፋዕ ሓባራዊ ፃዕርታት ንምሕያል ምስምማዖም እቲ ዜና ይሕብር። ብፕረዚደንት ኢሳያስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝሓወሰ እዩ።መራሒ ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ኣል ቡርሓን ነቲ ናይ ኤርትራ ልኡኽ ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ ካርቱም ከምዝተቐበሉዎ እቲ ዜና ይሕብር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%8A%95%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%A9\/5477644.html"} {"headline":"ኤርትራ: ተዓጽየን ዝጸንሓ መፍረይን መሸጢን ትካላት ምኽፋቶም ተገሊጹ","content":"ኣብ ኤርትራ ኣብ መወሽቢ ማእከል ብዝተገብረ መርመራ 1 ብቫይረስኮሮና ዝተታሕዘ ሰብ ምርካቡ ተገሊጹ። ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ኣብ ዝርከብ መወሽቢ ማእከል ብዝተገብረ መርመራ 1 ሰብ እቲ ቫይረስ ከምእተረኽቦ ሚንስትርጥዕና ኤርትራ ኣፍሊጡ።እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻልለበዳ ቫይረስኮሮና ተዓጽየን ዝነበራ ዝተፈላለዩ መስርሕን፡መሽጥን ትካላት ውጽኢት ጨርቂ፡ቆርበት ዕንጸይትን ሓጺንን መስትያትን ሎሚ 25 ሰነ ብምኽፋት ናይ ምፍዃስ ስጉምቲ ቀጺልዎ’ሎ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8C%BD%E1%8B%A8%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%93-%E1%88%98%E1%8D%8D%E1%88%A8%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%88%B8%E1%8C%A2%E1%8A%95-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%8D%8B%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5477608.html"} {"headline":"ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያን ንሕቶ ምርጫ ክልል ትግራይ ምንጻጉ:እቲ ክልል ምርጫ ካብ ምክያድ ከምዘይዓግቶ ተገሊጹ","content":"ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ንናይ ክልል ትግራይ ሕቶ ምክያድ ምርጫ ስለዘይተቀበለ ክልል ትግራይ እቲ ምርጫ ካብ ምክያድ ኣይዓግታን’ዩ ክብሉ ሓላፊ ቢሮ ፍትሕን ፀጥታን እቲ ክልል ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ ገሊፆም። ኣቶ ኣማኑኤል ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብዝሃብዎ መግለፂ ብሄር ብሄረሳባትን ክልላትን ኢትዮጵያ ምርጫ ምክያድ ሕገ መንግስታዊ መሰሎም ስለዝኾነ ዝኽልክሎም የለን ኢሎም ኣለው።ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ካብ ክልል ትግራይ ዝቐረበ ምርጫ ናይ ምክያድ ሕቶ ምንፃጉ ትማሊ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ምፍላጡ ይዝከር። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%89%A6%E1%88%AD%E1%8B%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%95%E1%89%B6-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%8C%BB%E1%8C%89-%E1%8A%A5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8B%AB%E1%8B%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8B%93%E1%8C%8D%E1%89%B6-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5477593.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንፋብሪካ ባኒ ሸገር መሪቖም ከፊቶም","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መዓልቲ ክልተ ሚሊዮን ባኒ ከፍርይ ዝኽእል ፋብሪካ ሎሚ ሓሙስ መሪቖም ከፊቶም። ብቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ አጋጣሚ እቲ ፋብሪካ ባኒ ጥራሕ ዘፍርይ ዘይኮነስ ብውሕስነት መግቢ ንርእስና ንምኽኣል መንገዲ ዝሕብር እዩ ኢሎም ኣለው። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሃነፀ ሸገር ፋብሪካ ባኒ ኣብታ ዋና ከተማን ከባቢኡን ዋጋ ባኒ ካብቲ ዘሎ ብፍርቂ ክንኪ ዝገብር እዩ ተባሂሉ ኣሎ። ብ900 ሚልዮን ብር ወፃኢ ዝተሃንተፀ ሸገር ፋብሪካ ባኒ ወፃኢኡ ብኣሓት ትካላት ሜድሮክ ዝተሸፈነ ኮይኑ እቲ ህንፀት ብሜድሮክ ከምዝተሰርሐ ተፈሊጡ’ሎ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%95%E1%8D%8B%E1%89%A5%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%89%A3%E1%8A%92-%E1%88%B8%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%88%AA%E1%89%96%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%8D%8A%E1%89%B6%E1%88%9D\/5477569.html"} {"headline":"መግለጺ ጉባኤ ጸለምቲ ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ ኣብ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ","content":"ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን ይካየድ ዝነበረን ዝተጓተተን ልዝብ ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ኢትዮጵያ፥ ብሰላማዊ ኣገባብ ንክቕጽል፥ ኮንግረሽናል ብላክ ካውከስ ተባሂሉ ዝፍለጥ፥ ጉባኤ ጸለምቲ ባይቶ ኣሜሪካ ጸዊዑ። ጉባኤ ጸለምቲ ኣባላት ባይቶ ኣብ ዝጸውዖ መግለጺ ፣ ኣሜሪካን ካልኦት ወገናትን`ውን፣ ጸግዒ ንከይሕዙ አዘኻኺሩ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8C%89%E1%89%A3%E1%8A%A4-%E1%8C%B8%E1%88%88%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/5475926.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ መርመራ ካብ ዝተገብረሎም 114 ሰባት ኩሎም ካብ ቫይረስኮሮና ነጻ ምጽንሖም ተሓቢሩ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ መርመራ ቫይረስኮሮና፡ መርመራ ዝተገብረሎም 114 ሰባት ኩሎም ካብቲ ቫይረስ ናጻ ኮይኖም ከምዝተረኸቡ ተገሊጹ። ኣብቲ ክልል ዛጊት183 በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት ዝተመዝገቡ ክኾኑ ኸለዉ-ሓደ ሰብ በቲ ቫይረስ ምሟቱ’ውን ይፍለጥ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%8E%E1%88%9D-114-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A9%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8A%90%E1%8C%BB-%E1%88%9D%E1%8C%BD%E1%8A%95%E1%88%96%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5475917.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ክልል ሲዳማ ንምምስራት ዘድልይ ሕገ-መንግስታዊ ምድላዋት ከምዝተዛዘመ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሲዳማ ንምምስራት ሕገ-መንግስታዊ ምድላዋት ከምዝተዛዘመ ቤት-ጽሕፈት ፕሮጀክት ምስረታ ክልል ሲዳማ ኣፍሊጡ። እቲ ምስረታ ድሕሪ 10 መዓልታት ክፍጸም`ውን መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ። ዝሓለፈ ዓመት ረፈረንደም ብምክያድ ክልል ክኸውን ዘኽእሎ ድምጺ ዝረኸበ ሲዳማ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ቤት-ምኽሪ ክልል ደቡብ ስልጣን ተረኪቡ`ዩ። ሲዳማ ክልል ምዃና ንምፍራስ ሃገር ጠንቂ ንዝብል ነቔፈታ`ውን ግቡእ ኣይኮነን ዝብል ምላሽ ሂቡሉ`ሎ። ኣብ ኣወዳድባ ታሪኽ ኢትዮጵያ ብድልየትን ምርጫን ህዝቢ ዝተመስረተ 10ይ ናይ ሲዳማ ክልላዊ መንግስቲ፡ ዝመጽእ 27 ሰነ ኣቆጻጽራ ግእዝ ብወግዒ ክእወጅ ምዃኑ ተፈሊጡ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%B2%E1%8B%B3%E1%88%9B-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%8B%B5%E1%88%8D%E1%8B%AD-%E1%88%95%E1%8C%88-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%8B%E1%8B%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%8B%98%E1%88%98-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5475911.html"} {"headline":"ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ፥ካብ ክልል ትግራይ ዝቐረበሉ  ምርጫ ናይ ምክያድ ሕቶ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ","content":"ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ፥ ካብ ክልል ትግራይ ዝቐረበሉ ምርጫ ናይ ምክያድ ሕቶ ብክልተ ምኽንያታት ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ። ቦርድ ምርጫ ነቲ ካብ ክልል ትግራይ ዝቐረበሉ ሕቶ ከምዘይቅበሎ ዘፍልጠ፥ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ`ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%89%A6%E1%88%AD%E1%8B%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%88%A8%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8B%AB%E1%8B%B5-%E1%88%95%E1%89%B6-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%85%E1%89%A0%E1%88%8E-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5475901.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ንውሸባን ቀብርን ዝምልከት ናይ መምርሕታት ምትዕራራይ ጌሩ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ንውሸባን ቀብርን ዝምልከት ናይ መምርሕታት ምትዕራራይ ጌሩ። በዚ መሰረት ካብ ወጻኢ ሃገራት ንዝኣትዉ ዝግበር ምውሻብ ካብ 14 መዓልታት ናብ ሸውዓተ መዓልታት ክወርድ፡ ብቫይረስኮሮና ፖስቲቭ ዝተባህሉ ድማ እንተዘይሓሚሞም ናብ ሆስፒታል ንክኣትዉ ምግዳድ ተሪፉ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክንክን ክገብሩ ተወሲኑ`ሎ። ከምኡ`ውን ካብ ወጻኢ ዝመጹ፥ ካብ ኮቪድ ናጻ ምዃኖም ዘርኢ ናይ ምስክር ወረቐት ክሕዙ ዘገድድ ሕጊ ወጺኡ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8B%8D%E1%88%B8%E1%89%A3%E1%8A%95-%E1%89%80%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%95%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8C%8C%E1%88%A9\/5472847.html"} {"headline":"ዕውት መድሓኒ ኤችኣይቪ ካብ ዝጅምር 25 ዓመት ኮይኑዎ","content":"ቅድሚ 25 ዓመት ኣብዚ ወርሒ ሰነ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ንHIV\/AIDS ዝኸውን መድሓኒት ፈለማይ ዕዉት ፈተነ ዝጀመረሉ ወሳኒ እዋን ነይሩ።እቲ ፈተነ ማእለያ ዘይብሉ ህይወት ዘድሓነን ሎሚ እውን ንምስፍሕፋሕ እቲ ቫይረስ ዝከላኸል ዘሎን መድሓኒት እዩ።ወኪል ቪኦኤ ካሮሊን ፕረሱቲ ለበዳ ኤዲስ መን ኢኻ በሃሊ ኣብዘይነብረሉን ብቕልጡፍ ይባርዐሉ ኣብ ዝነብረሉ እዋን ምስ ዝነበረን መድሓኒት እንተዘይጥቀም ነይሩ ሎሚ ብህይወት ክነብር ምስ ዘይኽልን ሰብ ከተላልየና እያ። ነርሲ HIV ኣለካ ኢላ ክትነግሮ ከላ ኬቨን ሊ ተይለር ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ነይሩ። ‘’ትኩር ኢለ እናራኹዋ፤ኣይሰማዕኹክን።እንታይ ኣለካ በልኪ? ኢለያ።ትቕብል ኣቢላ HIV ትፈልጥ ኢኻ ሓቀይ? ኢላትኒ።ኣይፈልጥን ኢለያ፣እንታይ ምዃኑ ኣይፈልጥን፤ HIV ዝብሃል ሰሚዐ ኣይፈልጥን ኢለያ’’ክብል ይዝክሮ። ፤ ዶክተር ናብቲ ዝነበረሉ ክፍሊ ኣቲዩ ‘’ጉዳያትካ ብስርዓትሓዝ ኢኻ።ምኽኒያቱ ምድሕን ኣይክኣልን፣ሕክምና የብሉን፤ዋላ ሓደ ነገብሮ ነገር የለን ኢሉኒ’’ ይብል ቴይለር። ብስንባደ ደንዚዙ ሪችሞንድ ቨርጂኒያ ናብ ዝርከብ ገዝኡ ኣምርሐ። እዋኑ 1985 ኣ\\ፈ ነይሩ።ብዙሓት እቲ ቫይረስ ዘለዎም ሰባት ይግለሉ ነይሮም። ቴይለር ኣብታ ዝፈለጠላ ዕለት ምሸት ደም ምስተለገሰሉ AIDSዝሓዞ ተምሃራይ ሪያን ዋይት ኣብ ክፍሊ ብምስታፉ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ኢንዲያና ተቓውሞ ምልዓሉ ዜና ከምዝርኣየ ይገልፅ። ‘’ትፈልጢ ዲኺ ኣነ ንባዕለይ ሓሲበ።ንወዲ ትሽዓተ ዓመት ፃዕዳ ከምዚ እንተገይሮም ንዓይ ከመይ ምበሉ? ክትግምትዮ ትኽእሊ ኢኺ’’ ይብል። ብርክብ ተመሳሳሊ ፆታ ዝኣምን ወይ Gay ቴይለር ምልክት ናይቲ ቫይረስ ከይተርኣዮ ንዓመታት ነፃ ኮኑ ድሕሪ ምንባር ኣብ ሓደ እዋን ናይ ሰውነቱ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ብምድኻሙ ከምዝሓመመ ይገልፅ። ኣብቲ እዋን መድሓኒት ኣይንበረን፤ክሳብ 1995 ኣ\\ፈ ኣብዘሎ እዋን ልዕሊ 300,000 ኣሜሪካዊያን ብሰንኪ እቲ ሕማም ህይወቶም ሲኖም። ‘’ሽዑ ንGay ይቐትል ነይሩ፤ብዛዕብኦም ዝግደስ ግን ኣይ ኣይነብረን’’ ይብል። ንዓመታት ከም ACT UP ዝኣመሰሉ ተሓለቕቲ ጉጅለታት ንHIV\/AIDS ዝውዕል ተወሳኺ ፈንድ ብምሕታት ድምፆም የስምዑ ነይሮ።መስራቲ ACT UP ላሪ ክራመር ቅድሚ ምማቱ ምስ ቪኦኤ ኣብዘካየዶ ቃለ ምልልስ ናይ ኤዲስ ማሕበረሰብ ርኣይን ሰማዒን ዘይብሎም ከምዝተገደፉ ከምዚ ኢሉ ነይሩ። ‘’በዚ ንኩሉ ሰብ ይቐትል ዘሎ ምስጥራዊ ቫይረስ ንጠፍእ ከምዘለና ንዓለም ደወል መጠንቀቕታ ነስምዕ ዝነበርና ብናይ ባዕልና ተበግሶ እዩ’’በለ። ስቕታ ማዕረ ሞት እዩ ዝብል ጭርሖ ዘለዎ ናይ ክራመር ጉጅለ 11 ጥቅምቲ ጥቅምቲ 1988 ኣ\\ፈ ሓዱሽ መድሓኒት ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ፍቃድ ንዝህብ ምምሕዳር ምግብን መድሓኒትን ዩናይትድ ስተትስ FDA ወሪሮም። ኣብቲ እዋን ኣብቲ መንግስታዊ ቤት ፅሕፈት ዝሰርሕ ዝነበረ ሪቻርድ ክሌይን እቲ ኣጋጣሚ ነቲ መንግስታዊ መሓውር ናይ መፀዋዕታ ደወል ነይሩ፤ምኽኒያቱ ነቲ ቤት ፅሕፈት ክዕፆ ኣገዲዶምዎ ይብል። ቀስ እናበለ ለውጢ ምምፃእ ጀሚሩ።HIV ቆላሕታ ክረክብ ዝንቀሳቐሱ ተሓልቕቲ ኣብ ናይ FDA ኣማኸርቲ ኮሚቴታት ክሳተፉ ጀሚሮም። ብመንግስቲ ዝመወሉ ምርምራት ናይ ምድሓን ዕድል ሓፍ ኣብዘብሉ ስራሕቲ ትኹረት ገይሮም ይንቀሳቐሱ ነይሮም። ኣብ ሰነ 1995 ኣ\\ፈ FDA ዝተፈላለዩ መድሓኒታት ብምትሕውዋስ ነቲ ሕማም ዝኸውን መድሓኒት ፈላማይ መፅናዕቲ ክካየድ ፈቒዱ።ብፍጥነት ፅሓይ ብርሃን ኣብ ታሕሳስብ 1995 ኣ\\ፈ ናይ መጀመሪያ ውፅኢታዊ መድሓኒት ኮይኑ ብመንገስቲ ፀዲቑ።ዶ\\ር ኣንቶኒ ፋውቺ ዩናይትድ ስቴትስ ንኤችአይቪ ንምውጋእ ንእተካይዶ ፃዕርታት ንዓሰርተታት ዓመታት ክመርሑ ፀኒሖም። ኣብ ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ኣለርጅን ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ዳይረክተር ዶ\\ር ኣንቲኒ ፋውቺ ‘’ፀረ HIV ኣዚዩ ዕውት ዝኾነ መድሓኒት ንፈላማ ግዜ ዝረኸብናሉ እዋን ስለዝነበረ ብHIV ናይ ዝልከፉ ሰባት ህይወት ኣዚዩ ተመሓይሹ’’ ይብሉ። ሳላ እቲ መድሓኒት ሎሚ ብህይወት ካብ ዘለው 57 ዓመት ዝዕድሚኡ ቴይለር ሓደ እዩ።ሎሚ እውን ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ብህይወት ክፀንሕ ዝሓገዞ መድሓኒ ኣብ ምውሳድ ይርከብ። ኣብ ሕዚ እዋን ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ኣብ ዙሪያ ዓለም ድማ ልዕሊ 37 ሚሊዮን ሰባት ምስ HIV ሓቢሮም ይነብሩ ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/hiv-drug-to-approval-years-ago-revolutionalized-fight-against-aids\/5472795.html"} {"headline":"ኣብ ኤርትራ ቀለበታዊ ግርደት ጸሓይ ምርኣዩ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኤርትራ ቀለበታዊ ግርደት ጸሓይ ትማሊ ሰንበት ንግሆ ምርኣዩ ተገሊጹ። እቲ ባህርያዊ ክስተት ብኣቆጻጽራ ኤርትራ ካብ ንግሆ 6፡46 ጀሚሩ ንደቓይቕ’ዩ ቀጺሉ ኔሩ። እዚ ጆግራፍያዊ ክስተት ኣብ ገለ ክፋል ኣፍሪቃ: ኣውሮጳ፡ኣውስትራልያ፡ ሰላማዊ ውቅያኖስን ህንዳዊ ውቅያኖስን’ውን ከምእተራእየ ተፈሊጡ’ሎ። ግርደት ጸሓይ፡ወርሒ ኣብ መንጎ መሬትን ጸሓይን ብምእታው ጩራ ጸሓይ ብርሃን ናብ ምድሪ ከይሓልፍ ክኽውሎ ከሎዝፍጠር ተርእዮ’ዩ።ኣብ 2020 ክልተ ግዘ ግርደት ጸሓይ ክኽሰት ምዃኑ ዝሕብሩ ክኢላታት፡እቲ ካልኣይ ኣብ ኣብ መፋርቕ ዝመጽእ ወርሒ ታሕሳስ ከጋጥም ከምዝኾነ ይገልጹ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%80%E1%88%88%E1%89%A0%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%8C%8D%E1%88%AD%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%A3%E1%8B%A9-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5472609.html"} {"headline":"ኣብ ኤርትራ  22 ተወሰኽቲ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ተረኺቦም","content":"ኣብ ኤርትራ ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝካየድ ዘሎ መርመራታት ቫይረስ ኮሮና፡ኣብዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ከባቢታት ኦምሓጀር፡ ጎልጅ፡ ዓሊ-ጊድርን ግርማይካን ከምኡ’ውን ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ከባቢ ዓሰብ ኣብ ዝርከቡ መወሽቢ ማእከላት ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራ፥ 22 ተወሰኽቲ ሰባት እቲ ቫይረስ ከምእተረኽቦም ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣፍሊጡ’ሎ። እቶም 21 ሰባት ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ካብ ሱዳን፥ እቲ 1 ድማ ካብ ጅቡቲ ዝተመልሰ ዜጋ ከምዝኾኑ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። በዚ መሰረት ኣብ ኤርትራ ዛጊት ቁጽሪ ቫይረስ ኮሮና ዝተረኽቦም ሰባት 143 ዝበጽሐ ክኸውን ከሎ ፥39 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ`ዮም። እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ለበዳ ኮቪድ 19 ተዓጽየን ዝነበራ ንኣሽቱ ትካላት ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ክኽፈታ ብምውሳን ናይ ምፍዃስ ስጉምቲ ወሲዱ’ሎ።ብመሰረት እቲ ናይ ምፍዃስ ስጉምቲ ፡ዝተፈላለዩ ናይ ሰንዓ ስርሓት ዝስረሓሉ መደበር (ብዘይካ መሽጢ መግብን መስተን)፡መባዝሒ መፋትሕ፡መሽጢ ኮንጎን ሸበጥን፡መስርሕን መሽጥን ፍርናሽ-ክርቢትን ሽምዓን፡መዓረይን መሽጥን መነጸር ዓይኒ፡ዓረብያ ፈረስን፡መሽጢ እንቃቕሖን ስጋን፡መፍረ ንህብን መሽጢ መዓርን፡መሽጢ ዘርኢ ፈልስን ካልእ ምስ ሕርሽ ዝተኣሳስር ትካላትን ከምኡ’ውን መስርሕን መሽጥን መጎጎ ኤሌክትሪክን ባህላዊ መጎጎን፡- ኣካላዊ ርሕቐትን ካልእ ናይ መከላኸሊ ኣገባባትን ብምሕላው ኣገልግሎት ክህባ ወሲኑ’ሎ። ኩሉ ተገልጋልን ወነንቲ ትካላትን ቅድሚ ሕጂ ዝወጸን ብሕጂ ዝውጽእን መምርሒታት ሚንስትሪ ጥዕና ኣኽቢሩ ክንቅሳቐስ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ኮቪድ-19 ኣጥቢቑ ኣተሓሳሲቡ’ሎ። ​","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-22-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%BD%E1%89%B2-%E1%89%A5%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%95%E1%8B%99-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%88%A8%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D\/5472573.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ \"ትግራይ ሃገር ንምግባር\" ብሰላማዊ መንገዲ ዝቃለስ ውድብ ተመስሪቱ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ \"ትግራይ ሃገር ንምግባር\" ብሰላማዊ መንገዲ ዝቃለስ ውድብ ተመስሪቱ:: ውድብ ናፃነት ትግራይ ተባሂሉ ዝተሰየመ እዚ ውድብ: ኣብ ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ከተማ መቐለ መስራቲ ጉባኤ ብምክያድ ፕሮግራምን ሕገ ደንብን እቲ ውድብ ብምፅዳቕ መራሕቱ እውን መሪፁ:: No media source currently available ብመሰረት እዚ ኣይተ ግርማይ በርሀ ኣቦ መንበር: ኣይተ ኣለምሰገድ ኣረጋይ ምክትል ኣቦ መንበር ኣይተ መሓሪ ዮሃንስ ድማ ሓላፊ ጉዳያት ፖለቲካ ብምኻን ተመሪፆም ኣለዉ:: ኣብ ፕሮግራምን ካልኦት ጉዳያትን እቲ ውድብ ጠሚቱ ዝተዳለወ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%8B%9D%E1%89%83%E1%88%88%E1%88%B5-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AA%E1%89%B1\/5468407.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ 129 ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ዝሞቱ ድማ ክልተ ሰባት ምምዝጋቡ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 24 ስዓታት ኣብ ልዕሊ 5,274 ሰባት ብዝተኻየደ ምርመራ 129 ቫይረስኮሮና ዘለዎም ሰባት ምምዝጋቦም ተገሊጹ። ክልተ ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም ኣለው። ካብቶም ሓደሽቲ ቫይረስ ኮሮና ዝተረኽቦም ሰባት 85 ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ኣብ ትግራይ ፣ 10 ኣብ ሶማሊያ፣ 7 ኣብ ክልል ደቡብ፣6 ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ 5 ኣብ ኦሮሚያ፣ 4 ኣብ ድሬዳዋ፣1 ድማ ኣብ ዓፋር ተመዝጊቦም ኣለው። ዛጊት ኣብታ ሃገር ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተታሓዙ ሰባት 3,759 ዝሞቱ ድማ 63 ተመዝጊቦም ኣለው። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ክልላት ሶማሌ፣ ሃረሪ፣ኦሮሚያን ምምሕዳር ድሬዳዋን ለበዳ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ተዋዲዶም ንምስራሕ ተሰማሚዖም።ኣብቲ ከባቢ ንሰለስተ መዓልታት ዑደት ዘካየዱ ሚንስትር ድኤታ ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ዶክተር ደረጀ ዱግማ ኣብ ክልል ሶማሊያ ደዎሌ መወሸቢ ማእኸል ዘሎ ምፅባብ ንምውጋድ ኣብቲ መወሸቢ ቫይረስኮሮና ዘለው 97 ሰባት ናብ ካልእ ከባቢ ከምዝውሰዱ ገሊፆም። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክልል ሶማሌ መወሸቢ ማእኸል ደዎሌ ኣብ ዝተኻየደ ምርመራ ኣብ ሓደ መዓልቲ 55 ቫይረስኮሮና ዘለዎም ሰባት ምርካቦም ይዝከር ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%BD%E1%89%B2-129-%E1%89%A5%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%95%E1%8B%99-%E1%8B%9D%E1%88%9E%E1%89%B1-%E1%8B%B5%E1%88%9B-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8C%8B%E1%89%A1-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5466691.html"} {"headline":"ኣብ ኤርትራ ብዝተኻየደ ምርመራ ተወሰኽቲ 12 ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ምርካቦም ተገሊጹ","content":"ኣብ ኤርትራ ብ16 ሰነ ኣብ ዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራ 12 ተወሰኽቲ ሰባት ቫይረስ ኮሮና ከምእተረኽቦም ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣፍሊጡ’ሎ። እቶም 11 ኣብ መወሸቢ ማእከል ዓዲ ባራ ተውሺቦም ዝጸንሑ ክኾኑ ከለዉ፡እቲ ሓደ ድማ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ዝተመልሰ ዜጋ ምኳኑ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። ኣብ ኤርትራ ዛጊት ቁጽሪ ቫይረስ ኮሮና ዝተረኽቦም ሰባት 121 በጺሑ’ሎ።39 ካብ’ቲ ሕማም ሓውዮም ክፋናዉ’ከለዉ 82 ድማ ኣብ ሆስፒታል ተዓቑቦም ከምዝረከቡ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሓቢሩ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B0-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%BD%E1%89%B2-11-%E1%89%A5%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%95%E1%8B%99-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%BB%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5466404.html"} {"headline":"ጉባኤ ሃይማኖታዊ ትካላት ኢትዮጵያን ሽማግለ ዓድታትን ኣብ ጉዳይ ሰላም ዝጠመተ ዘተ ምስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ አካይዶም","content":"ጉባኤ ሃይማኖታዊ ትካላት ኢትዮጵያን ሽማግለ ዓድታትን ኣብ ጉዳይ ሰላም ጠሚቱ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ላዕለዎት መራሕቲ ክልል ትግራይ ዘተ ኣካይዶም:: ኣብቲ ዘተ ኣመራርሓ መንግስቲ ክልል ትግራይ ንናይ ሰላም ዘተ ድልዋት ምኻኖም ኣረጋጊፆምልና ክብሉ ተወካሊ እቶም ሽማግለ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ተዛሪቦም:: መንግስቲ እቲ ክልል ብወገኑ ዘሎ ፀገም ሃገራዊ ብምኻኑ ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ኩሉ ክፋል'ዛ ሃገር ዝሳተፈሉ መድረኽ ምድላው የድሊ ኢሉ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%89%E1%89%A3%E1%8A%A4-%E1%88%83%E1%8B%AD%E1%88%9B%E1%8A%96%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%BD%E1%88%9B%E1%8C%8D%E1%88%88-%E1%8B%93%E1%8B%B5%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8C%A0%E1%88%98%E1%89%B0-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D\/5465122.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ካልኣይ ዙር ወለንታዊ ኣገልግሎት ዜግነት ክልል ኦሮምያ ብወግዒ መሪቑ ኣጀሚርዎ","content":"ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፥ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ወሊሶ፥ ካልኣይ ዙር ወለንታዊ ኣገልግሎት ዜግነት ብወግዒ ኣጀሚሩ። እቲ ናይ ዜግነት ኣገልግሎት ካብ ግብረ-ሰናይ ብዝልዕል መንገዲ ዝፍጸም፥ ቀጻልነት ዘለዎን ንኹሉ ዘሳተፈን`ዩ ተባሂሉ`ሎ። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ርእሰ-ምምሕዳር ኦሮሚያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳን ካልኦት መሪሕነት መንግስትን ተረኺቦም ኔሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A3%E1%8B%AD-%E1%8B%99%E1%88%AD-%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8A%95%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%8B%9C%E1%8C%8D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8B%88%E1%8C%8D%E1%8B%92-%E1%88%98%E1%88%AA%E1%89%91-%E1%8A%A3%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%AD%E1%8B%8E\/5463795.html"} {"headline":"ኣብ ኤርትራ ተወሰኽቲ 55 ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ምርካቦም ተገሊጹ","content":"ኣብ ኤርትራ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ኣብ ዝረከቡ ክልተ መወሸቢ ማእከላት ኣብ ዝተኻየደ መርመራ፥ 55 ሰባት ቫይረስ ኮሮና ተረኺብዎም። ምስ `ቶም ቅድሚ ሎሚ ሓውዮም ዝወጹ ደሚርካ ኣብ ኤርትራ፥ ቁጽሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም 96 ምብጽሑ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣፍሊጡ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%BD%E1%89%B2-55-%E1%89%A5%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%95%E1%8B%99-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%AB%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5463760.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ክልል ደቡብ ፈሪሱ ኣብ ኣርባዕተ ሓደሽቲ ክልላትን ሓደ ፍሉይ ዞባን ክጣየስ ኣብ ስምምዕ ምብጽሑ ተገሊጹ","content":"ናይ ኢትዮጵያ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ክልል ደቡብ ፈሪሱ ኣብ ኣርባዕተ ሓደሽቲ ክልላትንሓደ ፍሉይ ዞባን ክጣየሽ ዘኽእሎ ስምምዕ ከምዝተበጽሓ ተገሊፁ። እቲ ክልል ከም ብሓዱሽ ንምጥያሽ ዝተገብሩ መፅናዕትታት መሰረት ብምግባር ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድን 80 ኣባላት ዝሓቖፈ ኮሚቴን ኣምባሳደር ሰላምን ብሓባር ኣብዝተኻየደ ዝርርብ ዝተረኸቡ ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ናይቲ ጉባኤ ተሳታፊ ናይቲ ማሕበረሰብ ስነልቦና፣ቋንቋ፣ኣቀማምጣ መሬትን ውሳነ ህዝብን መሰረት ዝገብረ እዩ ኢሎም።እቲ ናይ ውሳነ ሓሳብ ዞባታትን ፍሉይ ወረዳታትን ጋሞ፣ኮንሶ፣ደቡብ ኦሞ፣ጎፋ፣ቡርጂ፣ደራሼ፣ኣማሮ፣ባስኬቶን ኮንሶን ኣብሓደ ክልል፤ሃዲያ፣ከማብታ ጠምባሮ፣ስልጤ፣ጉራጌ፣የምን ሃላባን እውን ካልእ ክልል፣ከፋ፣ ቤንች፣ማጂ፣ሸካ፣ ዳውሮን ርእሱ ዝኽኣለ ካልእ ክልል:ጌደኦ እውን ምስ ኣየናይ ክልል ከምዝኸውን ኣይፈለጥ እምበር ፍሉይ ዞባ ኮይኑ ክጣየሽ ተቐባልነት ምርካቡ ተዛሪቦም ኣለው። ቅድም ክብል ብህዝበ ወሰን ክልልነቱ ዝረኸበ ሲዳማ ርእሱ ዝኽኣለ ክልል ኮይኑ ክቅጽል እዩ። ዞባ ወላይታ ብኮሚቴ ኣምባሳደር ሰላም መፅናዕቲ ተገይሩ ንቀዳማይ ሚንስትር ዝቐረበ ምኽረ ሓሳብ ዝተሰማማዕናሉ መትከል ዘይሓለወን ናይ ህዝብታት ሓቢርካ ናይ ምንባር መስርሕ ኣብ ግምት ዘየእተወ ዝተፈፀመ እዩ ክብል መግለጺ ኣውጺኡ'ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%84%E1%88%AD-%E1%89%A5%E1%88%84%E1%88%A8%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8D%88%E1%88%AA%E1%88%B1-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%AD%E1%89%A3%E1%8B%95%E1%89%B0-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%88%BD%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%89%B5%E1%8A%95%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%8D%8D%E1%88%89%E1%8B%AD-%E1%8B%9E%E1%89%A3%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%8C%A3%E1%8B%A8%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%88%91-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5460673.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ገዛኢ ፓርቲ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ኣብ መዝነት ክጸንሕ ብቤት ምኽሪ ዝሓለፈ ውሳነ ካብ ዝኾነ አካል ተጽዕኖ ዝነበሮ ከምዘይነበረ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ኣብ ስልጣን ዘሎ ምምሕዳር መዝነቱ ክቕፅል ብቤት ምኽሪ ፌደረሽን ክውሰን ከሎ ካብ ፈፃሚ ኣካል መንግስቲ ዝኾነ ይኹን ተፅዕኖ ኣይተገበረን ክብሉ ኣብ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ናይ ሕገ መንግስቲ ትርጉምን ናይ መንነት ጉዳያትን ቀዋሚ ኮሚቴ ፀሓፊ ኣቶ ወርቁ ኣዳሙ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም። እቲ ውሳነ ብናፃነትን ብተሳተፎን ምስ ተዘተየሉ ብብዝሒ ድምፂ ዝፀደቐ እዩ ኢሎም። ነቲ ውሳነ ናይ ኦሮሞ ነፃነት ግንባርን ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስን ብሓባር ከምኡ እውን ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ንበይኑ ኣብ ዘውፅኡዎም መግለፂታት ናይቲ ገዛኢ ፓርቲ ድልየት ዘገልግልን ንሰብ ብፅሒት ዘግለለን እዩ ክብሉ ነፂጎምዎ እዮም። ኣቶ ወርቁ ግን ንብዙሓት ኣካላት ዘሳተፈን ሕገ መንግስቲ መሰረት ዝገብረን እዩ ክብሉ ዝቐረቡ መግለፂታት መሰረት የብሎምን ኢሎም። ካብዚ ወፃኢ ኣብዝኾነ ይኹን ክፋል እታ ሃገር ዝካየድ ምርጫ ዘይሕጋውን ዘይሕገመንግስታውን እዩ ክብሉ ኣቶ ወርቁ ኣጠንቂቖም ኣለው ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8C%88%E1%8B%9B%E1%8A%A2-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%AD%E1%88%B3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%95-%E1%89%A5%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%88%88%E1%8D%88-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8A%BE%E1%8A%90-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%89%B0%E1%8C%BD%E1%8B%95%E1%8A%96-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AE-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5460657.html"} {"headline":"ባይቶ ክልል ትግራይ ኣብቲ ክልል ምርጫ ክካየድ ወሲኑ","content":"ባይቶ ክልል ትግራይ ኣብቲ ክልል ምርጫ ክካየድ ወሲኑ:: እቲ ባይቶ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ጉባኤ ነዚ ውሳነ ኣሕሊፉ’ሎ:: ባይቶ ክልል ትግራይ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዘካየዶ ሓምሻይ ዘመን ሻብዓይ ህፁፅ ጉባኤ ኣብቲ ክልል ምርጫ ክካየድ ወሲኑ:: እቲ ቤት ምኽሪ: ዘመነ ስልጣን መንግስቲ ክልል ትግራይ ቅድሚ ምዝዛሙ ብደረጃ ክልል ምርጫ ክካየድ ብሙሉእ ድምፂ ምውሳኑ ተሓቢሩ ኣሎ:: እቲ ምርጫ መዓስ ከምዝካየድ ዛጊድ ብዕሊ ዝተገለፀ የለን: እቲ ብደረጃ ክልል ትግራይ ዝካየድ ምርጫ ድማ ቦርድምርጫ ኢትዮጵያ ንከፈፅሞ ደብዳበ ከምዝለኣኸሉ ምንጭታት ገሊፆም:: ብደረጃ ክልል ትግራይ ለበዳ ቫይረስ ኮረናን ምክልኻል ዝወፀ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ እውን ብክልተ ወርሕን ክልተ ሰሙንን ክናዋሕ ምውሳኑ ተገሊፁ ኣሎ:: ኣብ ክልል ትግራይ ምርጫ ከምዝካየድ ገዛኢ ውድብ ህወሓት ክገልጽ ዝጸንሓ ኮይኑ: ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሰለስተ ውድባት እውን ምርጫ ብደረጃ ክልል ክካየድ ኣለዎ ዝብል መርገጺኦም ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም:: ካልኦት ድማ ቅድሚ ኹሉ ጥዕና ህዝቢ ክቕድም ኣለዎ ብምባል ነቲ ክልላዊ ምርጫ ተቓውሞኦም ከስምዑ ፀኒሖም እዮም:: ኣብ ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ ምርጫ ንምክያድ ለበዳ ቫይረስ ኮረና ስግኣት እዩ ብምባል ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን እቲ ምርጫ ክናዋሕን ኣብያተ ምኽሪን ኣፈፀምቲ ስራሕን ፌደራልን ክልላትን ድማ ብዘለውዎ ክቕፅሉ ወሲኑ እዩ:: እቲ ምርጫ ኮረና ቫይረስ ስግኣት ከምዘይከውን ምስተረጋገጸ ኣብ ውሽጢ 9 ወርሒ ክሳብ ሓደ ዓመት እቲ ምርጫ ክካየድ ቤትምኽሪ ፌዴሬሽን ምውሳኑ ይዝከር:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8B%88%E1%88%B2%E1%8A%91\/5460398.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ተወሳኽቲ 164 ሰባት ብቫይረስኮሮና ምትሓዞምን 5 ምሟቶምን ተሓቢሩ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ስዓታት ኣብ ልዕሊ 6,630 ሰባት ኣብ ዝተገብረ ምርመራ 164 ሰባት ቫይረስኮሮና ከምዝተረኽቦም ሓሙሽተ ሰባት ድማ ህይወቶም ምስኣኖም ተሓቢሩ'ሎ።ዛጊት ብዝሒ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም 2,670ን ህይወቶም ዝስኣኑ ድማ 40 በፂሑ ኣሎ። ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ከምዝገለፆ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ኣብ ክሊ ዕድመ ሓደ ዓመትን 92 ዝርከቡ 117 ደቂ ተባዕቲዮን 47 ደቂ ኣንስትዮን እዮም። 104 ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣26 ኣብ ሶማሊያ፣22 ኣብ ክልል ኣምሓራ፣4 ኣብ ክልል ትግራይ፣ 4 ኣብ ክልል ኦሮሚያ፣ 1 ኣብ ሃረሪን 1 ኣብ ክልል ቤንሻንጉልን ምዃኖም'ውን ተፈሊጡ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B3%E1%8A%BD%E1%89%B2-164-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%88%93%E1%8B%9E%E1%88%9D%E1%8A%95-5-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5459172.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ገዛኢ ፓርቲ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ኣብ መሪሕነት ክጸንሕ ዝሓለፈ ውሳነ ሰለስተ ፓርቲታት ተቓዊሞሞ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ኣብ ስልጣን ንክቕጽል ቤት-ምኽሪ ፈደረሽን ዝሃቦ ውሳነ፥ሰለስተ ተወዳደርቲ ፓርትታት ተቓዊሞሞ። እቶም ፓርቲታት እቲ ውሳነ ንናይዛ ሃገር ሰላምን ርግኣትን ሓደጋ ዝፈጥር'ዩ ኽብሉ ስግኣቶም ገሊጾም ኣለዉ። ብፍላይ ኦነግን ኦፌኮን፥ገዛኢ ፓርቲ ብዘይሕጋውን ተቐባልነት ዘይብሉን መንገዲ ናይ ስልጣኑ ግዜ ንምንዋሕ ወሲድዎ ንዝበልዎ ስጉምቲ ኣይንቕበልን ኢሎም። ግንባር ናጽነት ኦሮሞን ፈደራልስት ኮንግረስ ኦሮሞን ብሓባር ኮይኖም፡ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ድማ ብንጽል ኣብ ዘውጽእዎም መግለጽታት፥ትማሊ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ዝሃቦ ውሳነ ንሰላምን ርግኣትን'ዛ ሃገር ንሓደጋ ዘቃልዕ'ዩ ክብሉ ስግኣቶም ገሊጾም ኣለዉ። ብፍላይ ኦነግን ኦፌኮን ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ውሳነ’ቲ ቤትምኽሪ ፈደረሽን ንሕገመንግስቲ ዝጠሓሰ'ዩ ይብል። ክልቲኦም ውድባት ቅድሚ ሎሚ ኣማራጺ ሓሳባት ከቕርቡ ከምዝጸንሑ ዝገለጸ እቲ መግለጺ፡ገዛኢ ፓርቲ ግን ብእምቢተኝነት ኣብዚ ዓመት ክግበር ንዝነበሮ ምርጫ ክካየድ ብዘይምኽኣሉ ክፍጠር ንዝኽእል ሕገመንግስታዊ ሕቶ ንምፍታሕ ፡ ፍታሕ'ዩ ዝበሎ ብበይኑ ብባይቶ ወከልቲ ኣቢሉ ናብ ጉዳይ መርማሪ ሕጊ ከምዝኸይድ ጌርዎ ክብል ይኸስስ።ነቲ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ዝሃቦ ውሳነ ድማ ኣይንቕበሉን ይብሉ። ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ብንጽል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ድማ፥ብተመሳሳሊ እቲ ቤት ምኽሪ ዝሃቦ ውሳነ ነዛ ሃገር ኣብ ሓደጋ ከእቱ ዝኽእል'ዩ ዝብል ቃና ዘለዎ መልእኽቲ ኣሕሊፉ'ሎ።ገዛኢ ፓርቲ በይኑ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣግላሊ'ዩ ክብል`ውን ነቒፉ። ኣቦ መንበር ኦፌኮ ዶ\/ር መረራ ጉዲና እቲ ጉዳይ ብዝምልከት ሓደ ኣካል ኣብ ናይ ባዕሉ ጉዳይ ዳኛ ክኸውን የብሉን ይብል። ኣብ ዝኾነ ዓለም ኣብ ናይ ባዕልኻ ጉዳይ ዳኛ ኮይንካ እንተቐሪብካ ኣዝዩ ግጉይ'ዩ ኢሉ። ጸገምና ፖለቲካ'ምበር ሕገ መንግስቲ ኣይኮነን ዝበለ ዶ\/ር መራራ፡ ናይ ሕገ መንግስቲ ዓንቀጽ ምልዋጥ ሽግር ኣይኮነን ኢሉ። ኣቦ መንበር ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ዶ\/ር መረራ ጉዲና ኣተሓሒዙ፡ ገዛኢ ፓርቲ ባዕሉ ብዝቆጻጸሮ ሜዳን ብዝደለዮ ኣንፈትን, ሓደ ሓደ ግዜ ትያትር ብዝመስል መንገዲ ዘካየዶ'ዩ ፡ስለዚ ፖለቲካና ነስተኻኽል ኢሉ። እንተኾነ ሕጋውን ሰለማውን ቃልሲ ካብ ምክያድ ካልእ ምርጫ የብልናን ኢሉ ። መግለጺኹም ንህውከት ዝዕድም 'ዩ ንዝብል ብነቐፍቲ ዝቐርብ ክምልስ ከሎ ድማ፡ \"ንሕና ንዝርርብ እናጸዋዕና ከመይ ኢሎም ህውከት ትጽውዑ ኣለኹም ክብሉና ይኽእሉ።ሕጂ'ውን ብዝሰኸነ ኣእምሮኹም ሕሰቡ፡ ንጉስ ፈቲኑ፡ደርጊ ፈቲኑ፡ መለስ ፈቲኑ፡ ኢህወደግ ፈቲኑ ኣይክኣለን፡ሕጂ ድማ ንስኻትኩም ተመሊስኩም ንታሪኽ ኢትዮጵያ ብዘይምምሃር ተመሊስኩም ናብ ዓዘቕቲ ኣይትእተዉ እናበልና፡ ልዝብ እናሓተትና፡ኣማራጺ ሓሳባት ናብ ቤት ጽሕፈት ቀ\/ሚ እናቕረብና ሕጋውን ሰለማውን ቃልስና ካብ ምቕጻል ንድሕሪት ኣይንብልን ኢና \"ኢሉ። ኣተሓሒዙ እዛ ሃገር ናብ ሓደጋ ንኸይትኣቱ ግን ብወገና ጻዕርና ክንቅጽል ኢና፡ ካብ መንግስቲ ምላሽ ክንረክብ'ውን ተስፋ ንገብር ኢሉ። ብዛዕባ'ዚ መግለጽታት ሰለስቲኦም ፓርትታት፥ ካብ ሰበ'ስልጣን መንግስቲ ምላሽ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ዛጊት ኣይሰመረን ምስ ተረኽበ ክነቕርቦ ኢና ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8C%88%E1%8B%9B%E1%8A%A2-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%AD%E1%88%B3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%88%AA%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%95-%E1%8B%98%E1%88%95%E1%88%88%E1%8D%8E-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8A%E1%88%9E%E1%88%9E-\/5458942.html"} {"headline":"ቤት-ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ፥ መንግስቲ ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ናይ ስልጣን ዘመኑ ንክናዋሕ ንዝቐረበ እማመ ኣጽዲቑ","content":"ቤት-ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ፥ መንግስቲ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናይ ስልጣን ዘመኑ ንክናዋሕ ንዝቐረበ እማመ ኣጽዲቑ። ብመሰረት እዚ፥ ደረት ስልጣን ክልቲኡ ባይቶታት፥ ቤት-ምኽሪ ሚንስተራት፥ ክሳብ`ቲ ምርጫ ንምግባር ዘኽእለሉ እዋን ክናዋሕ ተወሲኑ`ሎ። እቲ እማመ ናብ ባይቶ ፈደረሽን ዝቐረበ በቲ ንሕገ-መንግስቲ ክትርጉም ቆይሙ ክሰርሕ ዝጸንሐ መርማሪ ኮሚሽን`ዩ። ዝቕጽል ምርጫ ኢትዮጵያ ፥ ለበዳ ቫይረስኮሮና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ድሕሪ ምውዓሉ ካብ 9 ወርሒ ክሳብ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክካየድ እቲ እማመ ጸዊዑ`ሎ። ነዚ ኣካይዳ ዝተቓወመት ኣባል ሕወሓት ኣፈ-ጉባኤ`ቲ ፈደረሽን ዝነበረት ወ\/ሮ ከርያ ኢብራሂም ኣብዚ ሰሙን መዝነታ ብወለንትኣ ምልቃቃ ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%A8%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A2%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%88%98%E1%8A%91-%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%8A%93%E1%8B%8B%E1%88%95-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%88%A8%E1%89%A0-%E1%8A%A5%E1%88%9B%E1%88%98-%E1%8A%A3%E1%8C%BD%E1%8B%B2%E1%89%91\/5457281.html"} {"headline":"ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ካብ ኣባላት ፓርላማ ዝቐረበሎም ሕቶን ዝሃቡዎ መልስን","content":"ኢትዮጵያ ንኮቪድ 19 ንምቅልባስ ዝዘርገሐቶ ስልቲ፣ ነቲ ሓደጋ ንምንካይ፣ ንዕድመ እቲ ለበዳ ብምሕጻርን ንቁጠባዊ ዕብየት ብምቅጻልን ዘተኮረ ከምዝኾነ ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ገሊጾም።ኢትዮጵያ ካብ ግድብ ህዳሴ ንትረኽቦ ሕጋዊን ተፈጥሮኣዊን ረብሓ ንዝጻረሩ ኣጠንቂቆም።ህዝቢ ትግራይ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣድልዎን በደን ተፈፂሙዎ ኢሎም ገለ ኣባላት ቤት ምኽሪ።ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ነቲ ክሲ ኣሉታ ሂቦምሉ ኣለው።ምስ ሱዳን ዘሎ ጉዳይ ዶብ እውን ብሰላምዊ ኣገባብ ክዛዘም እዩ ኢሎም። ቀዳማይ ምንስቴት ኣብይ ኣሕመድ ኣባላት ፓርላማ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጉዳያት እታ ሃገር ንዘቕረቡዎም ዝተፈላለዩ ሕቶታት ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ መንግስቶም ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝምልከት ዝተኸተሎ ናይ መፍትሒ ኣገባብ ኣብሪሆም። ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ፍሉይ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው መንግስቶም ንኮቪድ-19 ንምምካት ዝዘርግሖ ስልቲ ከምዚ ኢሎም። ሃገራት ስሉስ ዓለም በመንፅር ኢኮኖሚ ዝማዕበላ ሃገራት ዝወርደን ውቅዒት ዝተሓተ እንተኾነ እውን ካብኡ ናይ ምሕዋይ ዕድለን ግን ንውሕ ዝበለ ግዜ ይወስደለን ኢሎም። ንሕና ኮሮናቫይረስ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ካብ ዝብድሀን ሃገራት ስለዝኾና ሙሉእ ስትራተጂና እቲ ውቅዒት ምንካይ፣እዋኑ ምሕፃርን ዝጀመርናዮ ናይ ቁጠባ ዕብየት ከመይ ነዕብዮ ክንኽእልን ዝብል እዩ ኢሎም ብምውሳኽ። ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ሓደጋ ኮሮናቫይረስ ከምዘሎ ኾይኑ ሒዙዎ ዝመፀ ዕድል ድማ ኣብነት ብምጥቓስ ከምዚ ኢሎም። ‘’ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ነዚ ብቕዓት ንምቕያር ሰፊሕ ስራሕ ስለዝተሰርሐ ሎሚ ኣብ ኩለን ክልላትን ክልተ ከተማታትን ኣስታት 31 ላብራቶሪታት ኣለውና።ኣብ ማዕልቲ 8,000 ሰብ ብኮሮና ምትሓዞምን ዘይምትሓዞም ምፍላጥ ዘኽእለና ዓቕሚ ፈጢርና ኣለና።’’ ክብሉ ገሊፆም። ኮሮናቫይረስ ኣብ ዘፈር ቁጠባ ዘስዓቦ ፀገም ከምዘሎ ኮይኑ ብዝተወስዱ ስጉምትታት ናይታ ሃገር ቁጠባ ሽዱሽተ ሚታዊ ከምዝዓቢ ተዛሪቦም።እዚ ናይ መንግስቶም ግምት እነተኾነ እውን ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ ብወገኑ ልዕሊ ሰለስተ ሚታዊ ከምዝዓቢ ምምስካሩ ሓቢሮም። እቲ ሓዱሽ መሪሕነት ናብ ስልጣን ምስ መፀ ግድብ ህዳሴ ንናይ ወፃኢ ሓይልታት ከም መደራደሪ ኣቕሪቡዎ ኢሎም ዝኸሱ ገለ ፖለሪካዊ ፓርትታትን ውልቀሰባትን ኣለው ዝብል ሕቶ ሓዊሱ ብዛዕባ ግድብ ህዳሴ ሕቶ ቐሪቡሎም ነይሩ። ቀዳማይ ምንስቴር ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ብበለካ ለኽዐካ ዝንዛሕ ኣባላት ቤት ምኽሪ ብዘለዎም ሓላፍነትን ስልጣንን ከፃሪይዎ ከምዝኽእሉ ብምሕባር ናብ ዝርዝር ምእታው ንናይቲ ቤት ምክሪ ክብሪ ኣይምጥንን ኢሎም።ይኹን እምበር ናይቲ ግድብ ስራሕ ዘጋምዎ ዕንቅፋታት ናይ ለውጢ ኣመራርሕ ዝበሉዎ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ ንዝነበሩ ጌጋታት ኣሪሙ ሕዚ በፂሑዎ ዘሎ ደረጃ ምብፅሑ ኣባላት ባዕሎም ከይዶም ክምስክሩ ከምዝኽእሉ ገሊፆም። ህዝቢ ትግራይ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣድልዎን በደን ተፈፂሙዎ ኢሎም ገለ ኣባላት ቤት ምኽሪ።እዞም ኣባላት ቤት ምኽሪ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምድያቦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝለዓለ ኣድልዎ ኣብ ምፍፃም ይርከብ ኢሎም። ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ትግራይ ንኽልተ ዓመት መንገዲ ምዕፃው፣ዜጋታት ብነፈርቲ ናብ ትግራይ ከይጉዓዙ፣ኣብ ትግራይ ናይ ኢንቨስትመንት ስራሕቲ ከይስራሕን ናይ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዜጋታት ናብ ትግራይ ከይጉዓዙን፣ዕንቅፋት ብምፍጣርን ብምኽልካልን ህ ዝቢ ትግራይ ብማሕበራዊን ቁጠባውን ዓቕሙ ክዳኸም በደል እናተፈፀሞ ትፈልጡ ኢኹም ወይ ድማ ትመርሕዎ ኣለኹም ዝብል ትርር ዝበለ ሪኢቶ ኣቕሪበን እተን ኣባላት ቤት ምኽሪ።እቶም ኣባላት ቤት ምኽሪ ብምቕፃል ኣብ ትግራይ ተጀሚሮም ጠጠው ዝበሉ ወይ ይጓተቱ ዘለው ዝበሉኦም ፕሮጀክትታት መስመር ባቡር መቐለ ሃራ ገበያ ፣ባዕኸር ኣግሮ ኢንዳስትሪን ናይ ሽረ ተርሚናል መዕረፎ ነፈርትን ጠቒሶም። ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ህዝቢ ትግራይ ምስ ሓደ ውልቀሰብ ወይ ጉጅለ ደሚርኻ ምቕራብ ጌጋ እዩ ኢሎ።ህዝቢ ትግራይ ብኢትዮጵያዊነቱ ዝኾርዕ፣ጅግናን ንሓድነት ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተቓለሰን ዋጋ ዝኸፈለን ክቡር ህዝቢ እዩ እዚ ማለት ግን ኣብ ክልል ትግራይ ገበነኛታት፣ጌገኛታት፣ዝፃረፉ ሰባት የለውን ማለት ኣይኮነን ክብሉ ገሊፆም።’’ሓደ ሰብ ክውቀሰ ከሎ፣ክልተ ሰባት ክውቀሱ ከለው ህዝቢ ትግራይ ተወቒሱ ናብ ዝብል ኣይንውሰዶ።ህዝቢ ትግራይ ብሚሊዮናት ዝቑፀር ዓብይ ህዝቢ እዩ።ብክልተ ሰለስተ ሰባት፣ብሓደ ፓርቲ ዝውከል ኣይኮነን’’ኢሎም። ቀዳማይ ምንስቴር መርኣያታቶ ኣድልዎን በደልን ተባሂሎም ቅድም ኢሎም ንዝቐረቡ መልሲ ኢቦም ኣለው።ንፕሮጀክተ ማይ ከተማ መቐለ ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ፌደራል መንግስቲ ዘውፅኦ ዝበሉዎ 1.3 ቢሊዮን ብር ንመርትዖ ኣቕሪቦም ኣለው ቀዳማይ ምንስቴር።ብዛዕባ ዝርግሐ ፕሮጀክት ባቡር ወልዲያ መቐለ ዝምልከት ክባርነት ናይቲ ፕሮጀክት ኣረዲኦም።ካብ ወፃኢ ክርከብ ትፅቢት ዝተገበረሉ ናይ ልቓሕ እውን እቲ ፕሮጀክት ኣየዋፅእን ብዝብል ምኽኒያት ልቓሕ ንምርካብ ከምዘይተኽኣለ ገሊፆም።ኮይኑ ግን እቲ ፕሮጀክት ከምዘይቀቓረፀን ቀስ ኢሉ ይኸይድ ከምዘሎን ሓቢሮም። ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዶባተን ተፈጢሩ ብዛዕባ ዝተብሃለ ሽግር ሕቶ ቀሪቡሎም ነይሩ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ።ንሶም ክምልሱ ከለው ዝፀንሐ ሕውነታዊ ርክብ ህዝቢታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ብ ምዝኽኻር ዝተፈጥረ ፀገም ኣሉ ከይበሉ ብሰላማዊ መንገዲ ከምዝፍታሕ ኣረዲኦም። ምስ መንግስቲ ሱዳን ሰፊሕ ልዝብ ኣብ ምክያድ ኢና ንዝርከብ ዝበሉ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ክንድቲ ንሕና ነቕርቦ ክሲ ንሳቶም እውን ምልሻ ከምዚ ገይሩ፣ከምዚ ኣቲኩም፣ብሽምግልና ንዳነ እናበሉ ይሓቱ እዮም ኢሎም። ‘’ንቶኽሲ ዘብቅዕ ሕቶ ግን ኣይኮነን።ተተኻኢሉ ባዕልና ብልዝብ እንተዘትየኻኢሉ ድማ ብሕብረት ኣፍሪካ ብልዝብ ዝፍታሕ ጉዳይ እዩ’’ ኢሎም። ምስ ኣዚዮም ቀረባ ዝኾኑ ኣሕዋትና ከዋግኡና ዝደልዩ ጉጅለታትን ሚዲያታትን ኣለው ናትና ትኹረት ግን ህዳሴ ስለዝኾነ ግዚኦም ተዘይጥፍኡ ዝሓሸ እዩ ኢሎም ቀዳማይ ምንስቴት ኣብይ ኣሕመድ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-members-of-parliament-asked-questions-the-prime-minister\/5456034.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ካብ አባላት ፓርላማ ንዝቐረበሎም ሕቶታት መሊሶም","content":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኢትዮጵያ ናይ ኪቪድ19 ለበዳ ንምምካት ዝዘርግሐቶም መስርሕ ነቲ ሓደጋ ኣብ ምንካይን ናይ ለበዳ ግዜ ብምሕፃርን ቁጠባዊ ዕብየት ንክቕፅልን ዝጠመተ እዩ ኢሎም ። ንሶም ወሲኾም ኢትዮጵያ ካብ ዓብይ ግድብ ህዳሴ እትርኽቦ ረብሓ ንዝፃረሩ ሓይልታት እውን ብትሪ ኣጠንቂቖም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%88%8B%E1%88%9B-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%88%A8%E1%89%A0%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%88%95%E1%89%B6%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%8A%E1%88%B6%E1%88%9D-\/5454561.html"} {"headline":"መንግስቲ ክልል ትግራይ ካብ መሪሕነት ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ንዝቐረበሉ ክስታት ነጺጉ","content":"መንግስቲ ክልል ትግራይ ብኣመራርሓ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ህወሓት ፀገም ፀጥታ ይፈጥር ኣሎ ንዝብል ዝቀረበሉ ክሲ ካብ ሓቂ ዝርሓቐን ባዕሎም ዝፍፅምዎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ንምሽፋንን ይግበር ዘሎ ፃዕሪ እዩ ብምባል ነፂጉ:: መሪሕነት'ቲ ክልል ብተወሳኺ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ሰራዊት ክውንን ኣይክእልን እቲ ክሲ ድማ መሰረት የብሉን ኢሉ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%88%AA%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%88%A8%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%8A%AD%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%90%E1%8C%BA%E1%8C%89\/5454529.html"} {"headline":"ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም ብፍቓደን ካብ መዝነተን ለቒቐን","content":"ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም ብፍቓደን ካብ መዝነተን ከምዝለቐቓ ገሊፀን:: ወይዘሮ ኬሪያ ንማዕኸናት ዜና ክልል ትግራይ ኣብዝሃብኦ መግለፂ ካብ ሓላፍነትን ክለቃ ዝወሰና ሕገ መንግስቲ ኣብዛ ሃገር ይጠሓስ ስለዘሎ ኣብኡ ተሓባባሪት ንዘይምኻን እዩ ኢለን:: ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ሎሚ ንማዕኸናት ዜና ክልል ትግራይ ኣብዝሃብኦ መግለፂ መዝነተን ብፍቓደን ንምልቃቕ ዝወሰና \"ሕገ መንግቲ ኢትዮጵያ በብመዓልቲ ይጠሓስ ስለዘሎ እዩ\" ኢለን:: ብተወሳኺ ድማ \"ውልቀመላኽነት ምስ ዘሰጉም ጉጅለ ብሓባር ንምስራሕ ፍቓደኛ ኣይኮንኩን\" ብምባል ተዛሪበን:: ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ጉዳይ ምርጫ ትርጉም ሕጊ ብምእላሽ ስልጣን ንምንዋሕ ይፍፀም ዘሎ ዘይሕገ-መንግስታዊ እዩ ዝበላ ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣካል ብዘይ ህዝበ ውሳነ ኣብ ዘለዎ ንምፅናሕ ብምውሳኑ ዘይሕገ-መንግስታዊ ብዝኾነ ብዘይተለመደ መንገዲ ሕገ መንግስቲ ክትርጎም ድፊኢት ይግበር ኣሎ ኢለን:: እዚ ድማ ብቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ውሳነ ከይተውሃቦ ኣቐዲሙ ዝተወሰነ እዩ ብምባል እዚ ድማ ዓብዪ ታሪኻዊ ስሕተት እዩ ብምባል ተዛሪበን:: ኣብዚ ከይዲ ምስታፍ ብሕገ መንግስቲ ዝተውሃበኒ ሓላፍነትን ንጎኒ ምግዳፍ ብተወሳኺ ድማ ጠጠው ንዝበልኩሉ ዕላማ ምፅራርን ሕልናይ ድማ ዘይቕበሎ እዩ ብምባል ብፍቓደን ካብ መዝነተንምልቃቐን ኣፍሊጠን:: \"ንሕገ መንግስቲ: ንህዝበይን ሕልናይን ንዝኣተኹዎ ቃል ንምኽባር ክብል ብፍቓደይ ካብ ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ዝተሰናበትኹ ምዃነይ የፍልጥ ኣለኹ\" ኢለን:: ወይዘሮ ኬርያ ኣብ ዘረብአን ናብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ይቐርብ ዘሎ ትርጉም ሕጊ ኣቐዲሙ ዝተወሰን ሕጋውነት ንምልባስ እዩ ብምባል ተቓውመአን ገሊፀን:: ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ህወሓት ዝኾና ወይዘሮ ኬርያ: ህዝቢ ትግራይ ‘ኣመሓደርተይ ክመርጽ እየ’ ብምባሉ ኲናት ተኣዊጅዎ ብምባል ድማ ነቲ መዝነት ምልቃቐን ገሊፀን:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8C%89%E1%89%A3%E1%8A%A4-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8D%8C%E1%8B%B4%E1%88%AC%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%88%E1%8B%AD%E1%8B%98%E1%88%AE-%E1%8A%AC%E1%88%AD%E1%8B%AB-%E1%8A%A2%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%88%82%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%8D%8D%E1%89%93%E1%8B%B0%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%B0%E1%8A%95-%E1%88%88%E1%89%92%E1%89%90%E1%8A%95\/5454118.html"} {"headline":"ሓድሽ ኣወዳድባ ወረዳታት ክልል ትግራይ ብዝምልከት ዝግበር ምምዳብ ሰራሕተኛታት ሕቶ የልዕል ኣሎ","content":"ሓድሽ ኣወዳድባ ወረዳታት ክልል ትግራይ ብዝምልከት ዝግበር ምምዳብ ሰራሕተኛታት ሕቶ የልዕል ኣሎ። ኣብ ክልል ትግራይ 52 ወረዳታት ዝነበራ በዚ ሓዱሽ ኣወዳድባ ናብ 94 ከምዝዓበያ ይፍለጥ። ኣብ ወረዳ ዝነበራ ኣብያተ ፅሕፈት ድማ ካብ ዝነበረን ቁፅሪ ከምዝነከያ ተፈሊጡ ኣሎ። ተመሳሳላሊ ዕማም ዘለወን ተባሂለ ናብ ሓደ ዝተጠመራ ብምህላወን ቁፅረን ክንኪ ኪኢሉ እዩ። ብመሰረት እዚ ድማ ምምዳብ ሰራሕተኛታት ግድን ምኳኑ ሓላፊት ቢሮ ስቪል ሰርቪስ ክልል ትግራይ ወይዘሮ ሰብለ ካሕሳይ ገሊፀን። ሰራሕተኛታት ዘልዕልዎ ሕቶን መብርሂ ሓላፊት ቢሮ ስቪል ሰርቪስ ዝሃብኦ መብርህን ኣብዚ ምስማዕ ይከኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%8A%A3%E1%8B%88%E1%8B%B3%E1%8B%B5%E1%89%A3-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8C%8D%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%B3%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%89%B6-%E1%8B%A8%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%8E\/5451320.html"} {"headline":"ሰብ ሞያ ኮምፕዩተር ዲዛይኒንግን ኢንጅነራትን ኢትዮጵያ ንመመርምሪ ኮቪድ 19 ዝሕግዝ ሸውዓተ ኣፕሊኬሽናት ከምዘማዕበሉ ተገሊጹ","content":"ሰብ ሞያ ኮምፕዩተር ዲዛይኒንግን ኢንጅነራትን ኢትዮጵያ ንመመርምሪ ኮቪድ 19 ዝሕግዝ ሸውዓተ ኣፕሊኬሽናት ከምዘማዕበሉ ተገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ስጋብ ሕጂ ብኮቪድ 19፣ 12 ሰባት ክሞቱ ከለው 1100 ድማ በቲ ቫይረስ ከምዝተታሕዙ ዝፍለጥ እዩ። እቶም ኣብ ተንቀሳቀስቲ ስልክታት ብምጽዓን ሓበሬታ ክሕቡ ዝግበሩ ዘለዉ ሓደስቲ ኣፕሊኬሽናት ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ሓበሬታ ኣብ ምሃብን ምርካብን ጽቡቅ፟ ይስረሓሎም እንተሎ፣ አብ ከባቢ ገጠራት ኢትዮጵያ ግና ጸገም የጋጥመን ምህላው ተገሊጹ ። አብ ወርሒ መጋቢት ኢትዮጵያ ፈለማ ብቫይረስ ኮረና ዝተትሓዘ ሰብ ከምዝረኸብት ወግዓዊ ምስገበረት'ዩ ወዲ 38 መንእሰይ ሚኪ እንዳለ ጻዊዓት ሓገዝ ንኩሎም አብ ደገ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ዘቅረበ ። ድሕሪ እቲ ጻውዒት ብርክት ዝበሉ አብ ዝተፈላለዩ ሞያታት ዝሰርሑ ዳያስፖራ ኢትዮጵያውያን ሰናይ ምላሽ ሂቦምኒ ይብል። “ሰባት ብቅንዕና ተአኪቦም ወለንተኦም ምስ ገለጹለይ ብምንታይ ክንሕግዝ ከም እንኸእል ኢና ተዘራሪብና። አብ ክልተ ጉዳያት ጠመተ ጌርና ክንሰርሕ ኢና ተረዳዲእና ። እቲ ሓደ ምስ ውጽኢት ቴክኖሎጂ ኮይኑ አብ ሚንስትር ጥዕና ኢትዮጵያ'ውን ሰናይ ተበግሶ ከምዘሎ ተረዲእና። ሓቢርና አብ እነናዲየሉ ጉዳይ ክንሰርሕ ድማ ተረዳዲእና።” ሶፍትዌር ኢንጅነራት ሚኒስትር ጥዕና ኢትዮጵያን ትካላት ጥዕናን ምስ ሚኪ እንዳለ ዘተአኻኸበ ጉጅለ ሰናይ ተበግሶ ብምኻን ሓደ ኣገዳስን ሰራሕተኛታት ጥዕና ከገልግል ዝኽእል አፕሊኬሽን አማዕቢሎም። እቲ አፕሊኬሽን ሰብሞያ ጥዕና ናብ ኢትዮጵያ ዝአትው ሰባት ብምምዝጋብ መንነቶምን ሕክምናዊ ሓበሬተኦምን ምስ ኮቪድ 19 ተተሓሒዙ ከቀምጡ ዘኽእሎም እዩ። ሚኒስትሪ ጥዕና ሰብ ሞያ ብምስልጣን ናብቲ ማሕበረሰብ ታብሌታት ሒዞም ብምኻድ ምርመራት ከካይዱን ዝተጠርጠሩ ሰባትን ምልክታቶምን ከምኡ'ውን በቲ ቫይረስ ዝተታሓዙ ቁጽሪ ሰባት ሓበረታ የስፍሩ። እዚ ድማ ዘመናዊ መስርሕ ሰብሞያ ጥዕናን ሆስፒታላትን ቅልጡፍን ሓቀኛን ሓበረታ ንምርካብ ይሕግዞም እዩ ይብሉ። እቲ ኻልኣይ አብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ወግዓዊ ዝተገብረ አፕሊኬሽን ውልቅ ሰባት ባዕሎም ንባዕሎም ሓበሬትኦም ከቐምጥሉ ዝኽእሉሉ ንኻልኦት ድማ ካብ ምግፋሕ እቲ ቫይረስ ከድሕኖም ዝኽእል መርበብ'ዩ ኢሎም። እዚ ደቦ ኢሎም ሽም ዝሃብዎ መርበብ(አፕሊኬሽን) ተጠቂሙ ናይ ርእሱ ሓበሬታ የስፍሩብድሕሪ እዚ አብ ውሽጢ ክልተሜትሮ እቲ ኸባቢ ሰብ ሓበረታ እትህብን ትቅበልን እያ። ነዚ አመልኪቶም አብ ሚኒስትር ጥዕና ላዕለዋይ ኪኢላ ሓበሬታ ጥዕና ዝኾኑ ብሩህ ተስፋ ኣበራ“እዚ ኣዝዩ ጠቃሚ ስራሕ እዩ ንኢትዮጵያ አብ ምላሽ ምሃብ ኮቪድ 19 ከምኡ 'ውን ንኣፈጸምቲ ሕጊ እኹል ሓበረታ ብምሃብ ዓብዪ አበርክቶ ዘለዎ እዩ።” እዞም መሳርሕታት በብመዓልቱ ብኣሻሓት ዝቁጸሩ ሰባት ይምርመሩ፤አብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ድማ ምስ ሃገርለኸ ሰብ ሞያ ጥዕና ሓበረታ ክለዋወጡ ይኽእሉ።ከምኡ'ውን በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ካብቲ መወሸቢ ቦታ ቀልጢፎም ክወጹ ይሕግዝ። ይኹን እምበር እዚ አብ ከተማታት ከምዚ ዝበለ ምዕባለታት እንተራእየ አብ ከባቢ ገጠራት ኢትዮጵያ ግና ብሕጽረት ኢንተርኔትን ስልክታትን እቲ ስራሕ አጸጋሚ ገይሩዎ ይርከብ። “እቲ መሳርሒ (ኣፕሊኬሽን)ሓበረታትኣብ ዝእክብሉ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ አብ ዝሓለፉ 14 መዓልታት ዝነበሮ ርክብ ክትርዳእ ይሕግዘካ እቲ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ግን ሰባት ነቲኣፕሊኬሽን አብምጥቃም እዩ ። ንሕና ኩልግዘ ክጥቀሙ ነተባብዕ አለና እቲ ነቲ ዝከታተሎም ጉጅለ 'ውን መዝጊቡ ክሕዝ ቀስ ብቀስ ክመጹ እዮም” ይብሉ። ሚኒስትር ጥዕና ብቪድዮ ዝተሓገዝ ስልጠናታትታ ይህብ አሎ ድሕሪ እቲ ስልጠና 30 ሽሕ ዝኮና ታብለታት ብምክፍፋል አብ ገጠራት ክጥቀሙ ከምዝኽእሉ ይዛረቡ።እታ ብሚኪ እንዳለ እትምራሕ ጉጅለ ሰናይ ተበጉሶ አብዚ እዋን አብ ዝተፈላለዩ 10 መሓውር ዘለውን ጉጅለታት ብምዃን ሓገዛታ ተሐይል አላ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%9E%E1%8B%AB-%E1%8A%AE%E1%88%9D%E1%8D%95%E1%8B%A9%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8B%B2%E1%8B%9B%E1%8B%AD%E1%8A%92%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%8A%95%E1%8C%85%E1%8A%90%E1%88%AB%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%88%98%E1%88%AD%E1%88%9D%E1%88%AA-%E1%8A%AE%E1%89%AA%E1%8B%B5-19-%E1%8B%9D%E1%88%95%E1%8C%8D%E1%8B%9D-%E1%88%B8%E1%8B%8D%E1%8B%93%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%8D%95%E1%88%8A%E1%8A%AC%E1%88%BD%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%9B%E1%8B%95%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5451271.html"} {"headline":"ዕጡቓት ህወሓት ኣብ ጎኒ ኦነግ ሸኔ ኮይኖም ይንቀሳቀሱ ኣለው ክብል ክልል ኦሮሚያ ኸሲሱ","content":"ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ ትማሊ ሓሙስ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ህውሓት ተዓጢቑ ምስ ዓማፂ ጉጅለ ብምዃን ይዋግኡ ኣለው ክብል ከሲሱ ኣሎ። ምኽትል ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ ንመራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ካብ መሰልጠኒ ቦታ ጠፊኦም ዝመፁ መናእሰይ መን ከምዘሰልጠኖምን ተልእኾ ከምዝሃቦምን ብግልፂ ተዛሪቦ ኣለው ኢሎም። ናይቲ ክልል ምኽትል ፖሊስ ኮሚሽነር ግርማ ገላን ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዕጡቓት ህወሓት ምስ ኦነግ ሸኔ ኣለውክብሉ ሓቢሮም ። ‘’ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ኣዚዮም ብርክት ዝበሉ ናይ ህውሓት ሰራዊት ምስ ኦነግ ሸኔ ብምሕባር ይንቀሳቐሱ ከምዘለው ምሉእ መረዳእታ ኣለና።በዚ ድማ ተመልሚሎም ከይዶም ስልጠና ወሲዶም ካብ ናይ መሰልጠኒ ቦታ ተዓጢቖም ዝመፁ ኣብ ኢድና ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ኣለው።መን ከምዘሰልጠኖም ብግልፂ ይዛረቡ ኣለው።ስለዚ ንኦሮሞ ነፃ ንምውፃእ እንተድኣ ኮይኑ ትማሊ ንኻልኦት ፅግዕተኛ ኢልካ ትድህሎም ዝነበርካ ሎሚኸ ንስኻ ንምንታይ ክትፅጋዕ ደለኻ? ዝብል ሕቶ ህዝቢ ኦሮሞ ክሓትት ኣለዎ’’ ኢሎም። ካብ ክልል ትግራይ ጉዳያት ኮሚኒኬሽንን ቢሮ ፍትሕን ፀጥታን መልሲ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/regional-government-of-oromia-accuses-tplf-for-fighting-alongside-olf\/5451013.html"} {"headline":"ናብ ክልል ትግራይ ዝኣትው መጉዓዝያ ተሪር ክትትል ይግበረለን ከምዘሎ ተሓቢሩ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ፈላሞት ብቫይረስ ኮሮና ዝተጠቕዑ ሰባት ብመንገዲ ጅቡቲ ዝኣተው መራሕቲ መካይንን ተሓጋገዝትን ምዃኖም ስዒቡናብ ክልል ትግራይ ዝኣትዉ መጉዓዝያ ተሪር ክትትል ይግበረለን ከምዘሎ ተሓቢሩ፡፡ ብዛዕባ’ዚ ምስ ምክትል ሓላፊት ቢሮ ኮንሰትርከሽን መንገድን መጉዓዝያን ወይዘሪት ራሄልን ሃይለ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሃገረ ስብከት ከተማ መቐለ ሊቐ አእላፍ ሃመልማል ገብረሃንስን ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ፡፡ No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%89-%E1%88%98%E1%8C%89%E1%8B%93%E1%8B%9D%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%88%AA%E1%88%AD-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%89%B5%E1%88%8D-%E1%8B%AD%E1%8C%8D%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%88%88%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5449759.html"} {"headline":"ኣብ ኤርትራ ተወሰኽቲ ክልተ ሕሙማት ቫይረስ ኮሮና ተረኺቦም","content":"ኣብ ኤርትራ ከብ 17 ግንቦት ክሳብ 2 ሰነ ኣብ ዝተኻየደን ካብ 4,659 ስድራ-ቤታት ሓደ ወኪል ብምስታፍ ኣብ ዝተገብረ መርመራኮቪድ-19 ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ በቲ ሕማም ምልካፋ ከምዝተረጋገጸ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ሕማም ኮሮና ቫይረስ ትማሊ 3 ሰነኣፍሊጡ።ምስታ ጓል ኣንስተይቲ ቀጥታውን ተዘዋዋርን ርክብ ዝነበሮም በዓል-በታ ሓዊስካ 13 ሰባት ኣብ መወሸቢ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዝተገብረ ተወሳኺ መርመራ በዓል-ቤታ’ውን ምልካፉ ከም እተረጋገጸ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ኣፍሊጡ’ሎ።ነዞም 2 ሰብ ሓዳር ሓዊስካ ቁጽሪበቲ ሕማም ዝተታሕዙ ሰባት ናብ 41 ክብ ኢሉ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%89%A5%E1%8A%AE%E1%89%AA%E1%8B%B5-19-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%95%E1%8B%99-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-41-%E1%8A%AD%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%88%89-\/5449700.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ 150 ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ምምዝጋቦም ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝሓለፉ 24 ስዓታት ኣብ ልዕሊ 5,141 ሰባት ብዝተኻየደ ናይ ላብራቶሪ ምርመራ 150 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተታሕዙ ተረጋጊፁ።እቶም’ቲ ቫይረስ ዝተረኽቦም ሰባት ኣብ ካብ ክሊ ዕድመ 3 ክሳብ 72 ዓመት ዝርኸቡ ክኾኑ ኸለው 94 ደቂ ተባዕቲዮን 56 ደቂ ኣንስትዮን ምዃኖም ተፈሊጡ ‘ሎ። 127 ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣13 ኣብ ክልል ኣምሓራ፣6 ኣብ ክልል ሶማሊያ፣3 ካብ ደቡብ ክልል፣ 2 ካብ ክልል ትግራይ፣2 ካብ ክልል ኦሮሚያን 1 ኣብ ክልል ዓፋር ምዃኖም ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢብዙሃን (ፌስቡክ) ገፁ ሓቢሩ። ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ሶኑይ ዝሞተ ሓደ ሰብ ሓዊሱ ብሰንኪ ቫይረስኮሮና ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት 18 ምብጽሑተፈሊጡ’ሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ብምኽንያት ጽባሕ ዓርቢ ዝኽበር መዓልቲ ከባቢያዊ ሓለዋ ኣብዚ ዓመት ክትከሉ ዝተዳለወ 5 ቢሊዮን ፍልሲ ምትካል ከምዝጅመር ሓላፊ ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ገሊፆም። ፅባሕ ብምእኹል ኣብ ጥቓ ከተማ ሃዋሳ ጎቦ ታቦር ምትካል ከምዝጅመርን ክልላት እውን ብተመሳሳሊ ምትካል ከምዝጅምሩን ተፈሊጡ ኣሎ። ኣቶ ንጉሱ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝተተኽለ 300 ሚሊዮን ፈልሲ ዝደግም ዘይኮነ ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ዝህልው መደብ ምትካል ፈልሲ ዕላዊ ዝኾነሉ እዩ ኢሎም ። እቲ ወፍሪ ኣብ ስግኣት ለበዳ ቫይረስኮሮና ንእትርከብ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ናይ ምስፍሕፋሕ ሓደጋ’ዶ የብሉን ኢሎም ዝተሓተቱ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን መንግስቲ ዘድልይ ምድላው ገይሩ ኣሎ ኢሎም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣርባዕተ ቢሊዮን ፈልሲ ተተኺሉ ምንባሩን ሎሚ ዓመት ናብ ሓሙሽተ ቢሊዮን ክብ ከምዝበለን ብተወሳኺ ተሓቢሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%BD%E1%89%B2-150-%E1%89%A5%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%95%E1%8B%99-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8C%8B%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5449684.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ:ካብ መዓረፎ ነፈርቲ ብሓይልታት ፀጥታ ዝተወስዱ ሓሙሽተ አባላት መሪሕነት ፖለቲካዊ ፓርቲታት ኣብ መወሸቢ ማእከል ምጽንሖም ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሰሙናት ካብ ዓለምለኸ መዓረፎ ነፈርቲ ቦሌ ብሓይልታት ፀጥታ ተወሲዶም ኣበይ ከምዝነበሩ ኣይተፈልጠን ዝተባህሉ ዝተፈላለዩ ኣባላት ኣመራርሓ ፖለቲካዊ ፓርትታት ኣብ ሓደ መወሸቢ ከምዝነበሩ ተፈሊጡ። ካብቶም ሓሙሽተ መራሕቲ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ሓደ ግን ፖሊስ ብገበን ጠርጢረዮም ኣለኹ ምባሉ ናይ ቀረባ ምንጭታት ገሊፆም። ቅድሚ ክልተ ሰሙናት ኣብ ከተማ መቐለ ክካየድ ኣብዝተባህለ ናይ ፌደራል ሓይልታት ኣኼባ ንምርካብ ቦሌ ዓለምለኸ መዓረፎ ነፈርቲ ብሓይልታት ፀጥታ ተታሒዞም ንቫይረስኮሮና ተቓሊዖም ተባሂሎም ናብ ዝውሸብሉ ቦታ ተወሲዶም ከምዝነበሩ ኣቦ መንበር ናይ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲያዊ ሓድነት ምንቅስቓስ ኣቶ ጉዕሽ ገብረስላሰ ገሊፆም። ጉዕዙኦም ብሃንደበት ከምዝተቋረፀን ናይ ሓሙሽቲኦም ሽም ተፀዊዑ ንምርመራ ጥዕና ናብ ካልእ ቦታ ከምዝውሰዱ ከምዝተነግሮምይገልፁ። ንሶም ግን ብሰበብ ኣስባብ ኣብ መቐለ እነካይዶ ኣኼባ ንንምትዕንቓፍ ዝተገብረ ናይ ፖለቲካ መጥቓዕቲ እዩ ይብሉ።ኣቦ መንበር ናይ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲያዊ ሕብረት ዝኾኑ ኣቶ ገብሩ በርሀ ግን ኩላቶም ድሕሪ 10 መዓልታት ካብ ኮቪድ-19 ነፃ ምኳኖም ምስተረጋገፀ ብሽብር ተጠርጢርካ ኣለኻ ብዝብል ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘቕረቡዎ ገሊፆም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%8D%8E-%E1%8A%90%E1%8D%88%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%A6%E1%88%8C-%E1%89%A5%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8D%80%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B5%E1%8B%B1-%E1%88%93%E1%88%99%E1%88%BD%E1%89%B0-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%AA%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%88%E1%88%B8%E1%89%A2-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%8C%BD%E1%8A%95%E1%88%96%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5449651.html"} {"headline":"ክልል ትግራይ: ኣብ ከተማ ቆራሪት ተቓውሞ ዘካይዱ ሰባት ይእሰሩ ምህላዎም ነበርቲ ገሊጾም","content":"ኣብ ዞባ ምዕራብ ክልል ትግራይ :ቆራሪት ኣብ ትበሃል ከተማ: ነበርቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ብምክያዶም ይእሰሩ ከምዘለዉ ኣፍሊጦም:: ኣብዚ ክልተ መዓልታት ልዕሊ 150 ሰባት ከምዝተኣሰሩ ነበርቲ ንድምፂ ኣሜሪካ ተዛሪቦም ኣለዉ:: ምምሕዳር እታ ከተማ ብወገኑ ተኣሲሮም ተባሂሉ ዝተገለፀ ቁፅሪ ሰባት፥ ዝተጋነነ`ዩ: ናይ ህዝቢ ሰላም ንምህዋኽ ዝሰርሑ ሰባት ብምፍላይ ግን ናይ ምእራም ስራሓት ንፍፅም ኣለና ክብል ኣፍሊጡ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%89%86%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%88%9E-%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%88%A9-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/5447949.html"} {"headline":"ዝተሓዋወሰ ሪኢቶ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ንፀብፃብ ኣምነስቲ","content":"ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰባዊ መሰላት Amnesty International\/ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ተፈፂሞም ዝበሎም መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ዘውፅኦ መግለፂ ናይ ሓደ ወገን ፖለቲካዊ ድልየት ዘርኢ እዩ ክብል ናይ ኣምሓራ ብሄራዊ ምንቅስቓስ \\ኣብን\\ ቅሬትኡ ገሊፁ።ክልተ ተቃወምቲ ውድባት ኦሮሞ ድማ ነቲ ሪፓርት ስፍሓትን ዕምቆትን ዝወሓዶቱ እዩ ኢሎምዎ።ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ\\ኢዜማ\\ ብወገኑ እቲ ፀብፃብ ተወሳኺ ምርመራ ንምክያድ ካብ እኹል ንላዕሊ ሓባሪ እዩ ኢሉዎ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ንሓደ ዓመት ዘካየድኩዎ መፅናዕቲ እዩ ኣብ ዝበሎ ፀብፃብ ናይ ቅማንት መንነት ንምምላስ ብዝተጣየሸ ኮምቴ ዝተልዓለ ሕቶ ካብ መስከረም 2011 ክሳብ 2012 ዓ\\ም ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ መንጎ ኣምሓራን ብሄረሰብ ቅማንትን ግጭት ክልዓም ምኽኒያት ኮይኑ ይብል። ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ምዕራብን ማእኸላይን ጎንደር፣ቋራ፣ኣብ መተማን ጭልጋን ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ቅማንት መጥቓዕቲ ተፈፂሙ ኣብ ውሽጢ 24 ስዓታት 58 ሰባት ኣብ ከባቢ ኣዘዞ ድማ 43 ሰባት ከምዝተቐትሉ ብዝርዝር ሓቢሩ ኣሎ።እቲ ግጭት ናይ ኣካል ጉድኣት ኣውሪዱን ካብ ክልቲኡ ወገን ብኣሽሓት ክመዛበሉን ምኽኒያት ኮይኑ ይብል። ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ተፈፂሞም ዝተብሃሉ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ብገለልተኛ ስለዘይተሰርሐ ኣይንቕበሎን ኢሉ።ተቋዋሚ ውድብ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ \\ኣብን\\ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ ዝፍፀም መግሃስቲ ናብ ኣደባባይ ከይወፅእን ክዕፈንን ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ዓለምለኸ ትካል ዝሰርሑ ሰባት ብድሕሪት ኮይኖም ብዝኣልምዎ ውዲት ኮነ ተባሂሉ በደል ይፍፀሞ እዩ ኢሉ። ናይ ኣምነስቲ ፀብፃብ እውን ኣብ ትሕቲ ተፅዕኖ ዝወደቐን ናብ ሓደ ዝወገነን እዩ ክብል ቅሬትኡ ገሊፁ። ምኽትል ኣቦወንበር ኣብን ኣቶ ዩሱፍ ኢብራሂም ቀንዲ ምኽኒያት ናይ ዝተፈጥረ ግጭት ናይ ፖለቲካ ውድብ እዩ ክብል ይኸስ። ‘’ናይቲ ሪፖርት ድምፀት ንርእሱ ጌጋ እዩ።ጌጋ ዝኾነሉ ምኽኒያት ድማ ኮነ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ብምዃኑ እዩ።ቀንዲ ናይቲ ፀገም ናይ ህውሓት ሓይሊ እዩ።ናይ ቅማን ኮሚቴ ዝብሃል ወዲቡ ናይ ሽብራ ስራሕ እዩ ሰሪሑ።መብዛሕቲኡ ገበን ዝተሰርሐ በዚ ዕጡቕ ጉጅለ እዩ።ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ኣምሓሩ ተመዛቢሎም።ኣብ ልዕሊ ኣምሓራ ዝወረደ ጉድኣት ዋላ ሓንቲ ንምጥቃስ ኣይደለየን’’ እዮም ዝበሉ። ኣቶ ዩሱፍ ፀብፃብ ኣምነኣስቲ ንምቕባል ዝፅገምሉ ኣብ ክልተ ወገናት ጉድኣት ወሪዱ እናሃለወ ነቲ ሓደ ወገን ዕሽሽ ብምባል ናይ ህውሓት ድልየት ዘንፀባርቕ ፀብፃብ ኣውፂኡ ኣሎ ኢሎም። ብኻሊእ ወገን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝርከብ ናይ ኣምሓራ ሕብረት ዝተብሃለ ውዳበ ኣምነስቲ ሚዛናዊነት ብዝጎደሎ ኣዛቢዑ ዘውፅኦ ንዝበሎ ሪፖርት ክእርም ዝሓተት መግለፂ ኣውፂኡ።ናይዚ ትካል ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኣቶ ተመስገን ሽፈራው ናይ ኣምሓራን ናይ ቅማንትን ግጭት ኣምሲሉ ምቕራቡ ትኽክለኛ ምስሊ ኣየርእን እቲ ፀገም ኣብ ምፍጣር፣ምግዳድን ክፍታሕ ብዘይምግባርን ተሓተቲ ክኾኑ ዝግብኦም ህውሓት፣ናይ ቅማንት ኮሚቴ፣ሎሚ ኣካል ብልፅግና ኮይኑ ዘሎ ብኣዴንን ንናይ ፌደራል መንግስትን ሽፋን ዝሃበ እዩ ኢሎም። ሕቶ መንነት ቅማንት ንምምላስ ብዝተጣየሸ ኮሚቴን ህውሓት ዝወደቦምን ብገንዘብ ዝሓገዞም ዕጡቓት ዝተፈፀመ እዩ ክብል ናይቲ ክልል መንግስቲ ይኸስስ። ኣብዚ ጉዳይ ሽሙ ብተደጋጋሚ ናይ ዝልዓል ህውሓት ፈፃሚ ስራሕ ዝኾኑ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ እዋንኣብ ዝሃብዎ መልሲ ናይቲ ክልል ኣካላት ፀጥታ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን መጥቓዕቲ ድሕሪ ምፍፃሞም ዝፈጠሩዎ ዛንታ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም ነይሮም። ኣምነስቲ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባታት ምዕራብን ምብራቕን ጉጂ ብሓይልታት ፀጥታ ዝተፈፀመ ኣብ ዝበሎ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት 39 ሰባት ከምዝተቐትሉ ገሊፁ።ጃምላዊ ማእሰርቲ፣ተግባር መስቀይቲ፣ፆታዊ መጥቓዕ ተፈፂሙ ክብል ከሲሱ ኣሎ። ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ኦነግ ሸኔ ኢሉ ዝፅውዖምን ንባዕሎም ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ ኢሎም ብዝፅውዑን ዕጡቓት ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ዝልዓለ ስቓይ ይወርዶም ስለዘሎ መንግስቲ ሕጊ ኣምብኽባር እዩ ዝርከብ ኢሉ። ኣቦ ወንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ \\ኦነግ] ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ‘’ቅድሚ ኩሉ ኣብዚ ኣፀጋሚ ኩነታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣምነስቲ ነዚ ሪፖርት ምውፅኡ ብወገና ኣድናቖትና ንገልፅ’’ድሕሪምባል ‘’ይኹን እምበር ዕምቆት የብሉን፤ላዕሊ ላዕሊ እዩ ኣውፂኡዎ ዘሎ።ምኽኒያቱ ኣብ ኦሮሚያ ኣዚዩ ዝኸፍአ ኩነታት እዩ ዘሎ።ግጭት ዘለዎ ከባቢ ጥራሕ ከይኮነስ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ግጭት ኣብ ዘይብሉ እውን ማእሰርቲ፣ቅትለት፣መውቃዕቲ፣ምምዛብል፣ንደቂ ኣንስትዮ ብሓይሊ ምዕማፅ ወዘተ እቲ ሪፖርት ኣይሓወሰን ስለዝኾነ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ነቲ ስእሊ ኣየርእን’’ ኢሎም። መንግስቲ ኣብ ውግእ ስለዘለኹ ብዝብል ንዘይተዓጥቑ ሰባት ብምቕታል ናይዚ ምኽኒያት ዕጡቓት እዮም ክብል ኣይክእልን ዝበሉ ኣቶ ዳውድ ብዛዕባ ባዕሉ ዝፈፀሞም መግሃስቲ ክሕተት ከሎ ንሳቶም እዮም ፈፂሞም ዝብል ካብ መንግስቲ ትፅቢት ዝግበር ኣይኮነ ኢሎም። ናይዚ ኹሉ ፀገም ምንጪ መንግስቲ እዩ፤ካብ ደርጊ ጀሚሩ ኣካልት ፀጥታ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ዜጋታት ዝፍፅምዎ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ግቡእ መአረምታ ስለዘይውሰድ ክሳብ ሎሚ ቀፂሉ ኣሎ እውን ኢሎም ኣቶ ዳው ኢብሳ። ኣቦ ወንበር ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ዶ\\ር መረራ ጉዲና ካብ ስፍሓት እቲ ክልል ክርአ ከሎ እቲ ሪፖርት ውሑድ እዩ ኢሎም።‘’ኢትዮጵያ ሰፋሕ ብምዃኑ ክሰፍሕ ነይሩዎ ዝብል እዩ ናትና እምነት።ካብ ዝሓለፈ ናይ ፈረንጂ ዓመት ናይዚ ዓመት ዝበኣሰ ኮይኑ ኣሎ።ገሊኦም ኣዚዮም ዘስካሕክሑ ስጉምትታት ይወሰዱ ዘለው ካብ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ እዩ።ንኣብነት ንሰብ ቀቲልካ ምድርባይ ዝኣመሰሉ እናወሰኸ ይኸይድ ስለዘሎ እቲ ሪፖርት ከም ፅቡቕ ኢና ወሲድናዮ’’ ኢሎም ዶ\\ር መራራ። ሓቀኛን ትኽክለኛን መረዳእታ ንምርካብ እንተድኣ ተደልዩ ገለልተኛ ዝኾነ ኣካል ተጣይሹ ክምርምሮ ምጋብር ይክኣል እዩ ኢሎም ዶክተር መረራ ጉዲና ብምውሳኽ። ብኻሊእ ወገን ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ\\ኢዜማ\\ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ብዝኾነ ይኹን፣ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንድርድር ክቐርብ የብሉን ኢሉ።እቲ ፀብፃብ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተፈፀሙ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ንምርዳእ እኹል ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ እንተዘይተብሃለኳ ነቲ መግሃስቲ ፈፂሞም ዝተብሃሉ ኣካላትን ቦታን ዝተጠቕሰ ብምዃኑ ተወሳኺ ምርመራ ንምክያድን ስጉምቲ ንምውሳድን ካብ እኹል ንላዕሊ ሓባሪ እዩ ኢሉ።ኣብ ክልተ ዝተወሰኑ ቦታታትን ውሱን ክስተታትን ዘተኮረ ብምዃኑ ተፈፂሞም ዝተብሃሉን ካልኦት ኣብታ ሃገር ዝፍፀሙ መግሃስትታትን ምሉእ ብምሉእ ንምርዳእ ይኹን ናይ መአረምታ ስጉምቲ ንምውሳድ እኹል ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ ዋላ እንተ ዘይተብሃለ እቲ ሪፓርት ኣብ ውሽጡ ዝሓዞም ዝለዓለ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ሽም ግዳያት ሰባት፣ዝተፈፀመሉ ቦታን ነቲ መግሃስቲ ፈፂሞምዎ ተባሂሎም ዝተጠቐሱን ኣካላት ብግልፂ ስለዝተቐመጡ ናይቲ ሓበሬታ ትኽክለኛነት ንምፅራይ ቀሊል ካብ ምግባር ሓሊፉ ተወሳኺ ምርመራ ብምክያድ ዝተጠቐሱ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት እንተድኣ ተረጋጊፆም ናይ መአረምታ ስጉምቲ ንምውሳድ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ሓበርቲ እዮም ኢሉ ኣሎ ኢዜማ ኣብ መግለፂኡ። ኣብቲ ናይ ኣምንሰቲ ፀብፃብ ዘይተሓወሱ በብእዋኑ ንምጥፋእ ህይወት፣ምጉዳል ኣካል፣ምምዝባል ሰባት፣ናይ ተምሃሮ መጭወይቲ ፣ማእሰርቲን ምንክልባትን ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባት ሓዊሱ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዕላዊ ዝተገብሩ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ስለዘለው ናይ ለውጢ ምምሕዳር ናብ ስልጣን ካብዝድይብ ጀሚሩ ብሓይልታት ፀጥታ መንግስታት ፌደራልን ክልላትን ከምኡ እውን ብዕጡቓትን በቢከባቢኡ ብዝተወደቡ ዘይ ስሩዓት ጉጅለታትን ዝፍፀሙ መግሃስቲ ዝምርምር ፍሉይ ጉጅለ ብቕልጡፍ ክጣየሽ፣ክምርምርን ውፅኢቱ ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ፣ንናይ ክልላት ኣብያተ ምኽርን ንህዝብን ዕላዊ ክኸውን ንሓትት ይብል እቲ መግለፂ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/oppositin-parties-mixed-reactions-to-amnesty-international-human-rights-report-to-ethiopia\/5447915.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት 52 ምብጽሑ ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ቑፅሪ ብቫይረስኮረና ዝተታሕዙ ሰባት 52 በፂሑ: ዝሞተ ድማ ሓደ ሰብ ተመዝጊቡ’ሎ:: ሎሚ ሶኑይ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ዘውፀኦ ውፅኢት ምርመራቫይረስ ኮሮና ከምዘመላኽቶ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ኣብ 119 ኣብ ዝተኻየደ ምርመራ ኣርባዕተ ሰባት ቫይረስ ኮረና ተረኺብዎም ኣሎ:: እቲ ቫይረስ ካብ ተረኸቦም እቶም 3 ኣብ መቐለ ማእኸል መወሸቢ ዝነበሩ ኮይኖም እቲ 1 ድማ ኣብ ሰቲት ሑሞራ ዝነበረ ምዃኑ ተገሊፁ:: እቶም ሰለስተ ናብ ወፃኢ ናይ ጉዕዞ ታሪኽ ዝነበሮም ኮይኖም እቲሓደ ግና ናይ ወፃኢ ጉዕዞ ታሪኽ ይኹን ምስ ብኮረና ምስ ዝተትሓዘ ሰብ ዝተፈለጠ ርክብ ዘይነበሮ እዩ:: ኣብ ክልል ትግራይ ክሳብ ሐዚ 2,863 ኣብ ምርመራ ቫይረስ ኮሮናዝተገበረሎም ኮይኑ ካብቶም ዝተመርሩ ሰባት 52 ቫይረስ ኮሮና ተረኺብዎም እዩ፡፡ ቀዳም 22 ግንቦት 2012፡ ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ሕማም ኮሮናቫይረስ ህይወት ሓደ ሰብ ሓሊፉ እዩ:: ካልኦት ሓሙሽተ በዚ ቫይረስ ሓሚሞም ዝነበሩ ሰባት ክሓውዩእንከለው፡ ዝተረፉ ድማ ኣብ ሕክምና ክትትል ይገብሩ ከምዘለዉ ተሓቢሩ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%89%A5%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%95%E1%8B%99-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-52-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%88%91-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5444949.html"} {"headline":"ኣምንስቲ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሃራን መግሃስቲ ሰብ ኣዊ መሰላት ይፍጽሙ ኣለው ክብል ከሲሱ","content":"ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ዝኸፍአ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ይፍፅሙ ከምዘሎ ገሊፁ። እቲ ትካል ቅትለት፣ጃምላዊ ማእሰርትን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ይፍፀሙ ኣለው ዝበሎም ፆታዊ መጥቓዕቲን ኣብቲ ፀብፃብ ዘርዚሩ’ሎ ። ኣምነስቲ ብወገን መንግስቲ ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝነበረ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ምምሕያሻት ምህላዎም ብምዝኽኻር ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ብሓይልታት ፀጥታ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍፀሙ መግሃስቲ መሰላት ዘተሓሳስብ እዩ ኢሉ። ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶ መንግስቲ ንምርካብ ኣይተኸ አለን፤ እንተኾነ ነዚ ይኹን ንኻልእ ጉዳይ ምዃኑ ዘይተነፀረ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ፌስቡክ ገፆም ከምዝፀሓፉዎ ጉዕዞ ለውጢ ነዊሕን ዝተሓላለኸን ስለዝኾነ ኣወንታዊ ለውጢ ነቲ መንገዲ ከይስሓትካ እዩ ዝፍፀም: ናይ ኢትዮጵያ ብልፅግና ብዘይደልዩ ኣካላት ድማ ኣይንዘናጋዕ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%8A%90%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8D%80%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%83%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8D%8D%E1%8D%85%E1%88%99-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%A8%E1%88%B2%E1%88%B1\/5441499.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት 968 ምብጽሑ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ 24 ስዓታት ኣብ ልዕሊ 5,015 ሰባት ብዝተኻየደ ምርመራ ላብራቶሪ 137 ሰባት ብቫይረስኮሮና ምትሓዞም ተረጋጊፁ።እቶም በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት ኣብ ኣዲስ ኣበባ 109: ኣብ ክልል ኣምሓራ 1 ኣብ ክልል ኦሮሚያ 8: ኣብ ክልል ቤንሻንጉል 2: ኣብ ዓፋር 1 ሓደ ምዃኖም ተፈሊጡ።ኣብታ ሃገር ብዝሒ ብቫይረስኮሮና ዝተታሓዙ ሰባት 968 በፂሑ ኣሎ።ብዝሒ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝስኣኑ ናብ ሸሞንተ ክብ ኢሉ ኣሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ኣብዘዋስን ከባቢ ዘሎ ምንቅስቓስ ሰባት ንምስፍሕፋሕ ለበዳ ቫይረስኮሮና ዘጋድድ ስለዝኾነ ፌደራል መንግስቲ ሓገዝ ክገብር ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ሓቲቱ። ብፍላይ ምስ ሱዳን ኣብዘዋስን ከተማ መተማ ወረዳ 19 ናይ መውፅኢን መእተውን በርታት ብምህላዎም ብሕጋዊ ይኹን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኢትዮጵያዊያንን ናይ ወፃኢ ዜጋታትን ምቁፅፃር ዘተሓሳስብ እናኾነ ምምፅኡ እቲ ክልል ኣፍሊጡ። እቲ ናይ ሰባት ምንቅስቓስ ነቲ ቫይረስ ምቁፅፃር ከቢድ ከምዝገበሮ ምኽትል ኣማሓዳሪን ኣቦ መንበር ግብሪ ሓይሊ ቫይረስኮሮናን ክልል ኣምሓራ ዶክተር ፈንታ ማንደፍሮ ገሊፆም ። ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ደሴ ናይ ቫይረስኮሮና ግብረሓይሊ ኣብታ ከተማ ምሻጥ ይኹን ምጥቃም ጫት ከልኪሉ።ነቲ ትእዛዝ ብምጥሓስ ናብ ዕዳጋ ዝቐረበ ልዕሊ 1.8 ሚሊዮን ብር ዘውፅእ ጫት ክቃፀል ድማ ተገይሩ። ይኹን ደአ እምበር እቲ ስጉምቲ ድጋፍን ተቓውሞን ምስዓቡ ተፈሊጡ'ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5441482.html"} {"headline":"ሚልሻታት ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ብዘካየደዎ መጥቓዕቲ 1 ወታሃደር ምሟቱን ካልኦት ብዙሓት ምቑሳሎምን ተገሊጹ","content":"ሚልሻታት ኢትዮጵያ ናብ ውሽጢ ዶብ ሱዳን ብምእታው ብዝፈጸምዎ መጥቓዕቲ ሓደ ወታሃደራዊ መኮነን ሱዳን ምቕታሎምን ካልኦት ብዙሓት ወታሃደራት ምቑሳሎምን ወግዓዊ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን-ሱና ጸብጺቡ። ሚልሻታት ኢትዮጵያ ዶብ ሰጊሮም ኣብ ምብራቓዊ ከተማ ኣል- ገዳራፍ ብምእታው ንፕሮጀክታት ሕርሻ ብምጥቓዕ ምስ ወታደራት ሱዳን ምግጫዎም ሱና ወሲኹ ይሕብር። ወሃቢ ቃል ናይ ሱዳን ወታሃደራዊ ሓይሊ ብኢትዮጵያ ዝድገፉ ወታሃደራት ብዝፈፀሙዎ መጥቓዕቲ ብዙሓት ወታሃደራት ተቐቲሎምን ቆሲሎምን ምባሎም ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሱና ገሊጹ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%88%BB%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B0%E1%8B%8E-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-1-%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B1%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A6%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%99%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%91%E1%88%B3%E1%88%8E%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5441423.html"} {"headline":"ብምኽንያት ግንቦት 20 ዝወጸ መግለጺ መንግስቲ ክልል ትግራይ","content":"\" ማህበረሰብ ዓለም ኢትዮጵያ መንግስቲ ዘይብላ ሃገር ንምዃን ቀሪባ ኣላ’ሞ መፍትሒ አካል ክኸውን ይግባእ\" ክብል መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ::ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ነዚ ዝበለ ብምኽንያት 20 ግንቦት ኣብ ዘውፀኦ መግለጺ’ዩ:: ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ 20 ግንቦት ጠሚቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ: ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩምመልአኽቲ ድሕሪ ምሕላፍ: ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ዓወት 20 ግንቦት ከኽብሩ ዝፀንሑ ሽግሓርነት ኣንበልቢሎም ሰብ ዋና ስልጣን ብምዃኖም እዩ ኢሉ:: ኣብ 2017 ዓ.ም ንኢትዮጵያ ምስ ማእኸላይ ኣታዊ ዘለዎም ሃገራት ንምስላፍ ግልፂ ራእይ ተቐሚጡ: ሰላምክሰፍን: ዲሞክራሲ ሱር ክሰድድን ኩለመዳያዊ ልምዓት ንምቅልጣፍ ዘኽእሉ ስርሓት ተፈፂሞም እዮምክብል ገሊፁ:: እቲ መግለጺ እዞም ስርሓት ንምፍፃም ድማ ኣብ መሰረታዊ እምነታትን ዓንድታትን ሕገ መንግስቲ ፌድራላዊዴሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ መሰረት ዝገበሩ ዓበይቲ ሸቶታት ንምዕዋት ሰፋሕቲ ስርሓት ተወጊኖምእዮም ኢሉ:: ኣብ ከይዲ ጉዕዞ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ወነንቲ ሉኣላዊ ስልጣን ምዃኖም ተረጋጊፁ: ንግድን ኢንቨስትመንትብምስፍሕፋሕ ነፃነት ልኣላዊነትን ክብርን ኢትዮጵያ ተሰሪሖም ዝበለ እቲ መግለፂ: ካብ ውሽጢ ናብ ደገዝርኢ ድኽነት ኣብ ምንካይን ውሽጣዊ ዓቕሚ ኣብ ምሕያል: ሂብካ ምቕባል መሰረት ዝገበረ ፖሊስ ጉዳይወፃእን ደሕንነት ተቐሪፁ ምንቅስቓስ ስለዝተፈፀመ ለውጢ ተመዝጊቡ ኢሉ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። በዚ ድማ ኣብዛ ሃገር ኣብ ኢኮኖሚ: ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ዓውድታት ለውጥን ዕብየትን ከምዝተመዝገበእቲ መግለፂ ዘርዚሩ:: መግለፂ መንግስቲ ትግራይ ወሲኹ እዚ ጉዕዞ ድማ ኣብዛ ሃገር ብዝተፈጠረ ሓታቲ ሕብረተሰብ ድልየታትንሕቶታትን ብእዋኑ ብዘይምምላሶም ብኻልእ ገፅ ድማ ናይ ቀደም ኢህወደግ ዝነበሮ ኣትሓሳስባን ተግባር ኣካብነት ክራይን ዝፈጠሮም ፀገማት ተስፋሕፊሖም ብምቕፃሉ ክተዓናቀፍ ኪኢሉ ይብል:: እዞም ፀገማት ንምፍታሕ ድማ ብዘይካ ህወሓት ካልኦት ናይ ቀደም ኦህዴድ፣ ብአዴን ብተወሳኺ ድማደኢህዴ ናይ ዕሞቆት ተሃድሶ ገምገማ ብዘይምክያዶም ክፍታሕ ኣይከኣለን ኢሉ:: እቲ መግለፂ ንመንግስቲ ፌደራል ሓይል ነቐፌታ ዝሓዘ እውን’ዩ ኔሩ: ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ፌደራል ስልጣንተቖፃፂሩ ዘሎ ኣካል ዜጋታት ብመንነቶም ክመዛበሉ: ብፖለቲካዊ እምነቶም መንነቶምን ድማ ናብ ማእሰርቲይዳጎኑ ኣለዉ ብምባል ከሲሱ:: መንግስቲ ፌደራል ነፃነትን ክብርን ኢትዮጵያ ብዘዋርድ መልክዑ ፖሊስያዊ ነፃነት’ዛ ሃገር ንጎኒ ጎዲፉ: ኩሎም መእተዊ በርታት’ዛ ሃገር ንሓይልታት ወፃኢ ከፊቱ እዩ ብምባል ዝኸሰሰ መግለፂ መንግስቲ እቲ ክልል: ዓበይቲ ትካላት’ዛ ሃገር ከም ሸቐጥ ንዕዳጋ ቐሪቦም ብምባል ተቓውምኡ ገሊፁ:: ኣብ ጉዳይ ምርጫ ንፖለቲካ ውድባት: መራሕትን ምሁራንን ኣብ ዘሕለፎ መልአኽቲ: ቫይረስኮሮና ብሓባርእናመከትና 6ይ ሃገራዊን ክልላዊን ምርጫ ንምክያድ ምቹእ ኩነታት ንምፍጣር ብሓባር ንቀሳቐስ ክብል ፀዊዑ:: ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣብ መግለፂኡ ንመሪር ቃልሲ ዝተረኸበ መበል 29 ዓመት መዓልቲ ናፅነት እንኳዕኣብፀሐካ ድሕሪ ምባል: ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተጀመረ ከይዲ ሰላም ብመራሕቲ ክልቲአን ሃገራትግልፂ ዘይኮነ ርክብ ዕንቅፋት ገጢምዎ ይርከብ ብምባል ከሲሱ::ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ሓይሉ ክቕፅል ድማህዝቢ ኤርትራ ግድኡ ከበርክት ፀዊዑ:: መንግስቲ ክልል ትግራይ ንማሕበረሰብ ዓለም እውን መልአኽቲ ኣሕሊፉ እዩ: ኣብ ቅልጡፍ ጉዕዞ ማሕበረኢኮኖሚያዊ ዕብየት ኣትያ ዝነበረትን ተስፋ ተነቢሩላ ዝነበረት ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን መንግስቲ ዘይብላክትኸውን ኣብ ጫፍ በፂሓላ ኢሉ:: እቲ መግለፂ ምብትታን ኢትዮጵያ: ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ማእኸል ህውከት ብምግባር: ልዕሊ60 ሚእታዊት ምንቅስቓስ ንግዲ ዓለም ክዕገትን መዕንደሪ ግብረራዕዳውያን ንምኻን ምፍቃድ ማለት’ዩ እዩክብል ስግኣቱ ገለጹ። መግለፂ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዕምቆትን ስፍሓትን እቲ ፀገም ብምርዳእ ንሓባራዊረብሓ ክበሃል ኣካል መፍትሒ ክትኾኑ ይግባእ ክብል ንማሕበረሰብ ዓለም ፀዊዑ:: \"ኣብዚ ሐዚ እዋን መንግስቲ ፌደራል ከም ስርዓት ደርጊ ውልቀመላኺ ምዃኑ ይወስዶም ዘለዉ ስጉምትታትየርኢ ኣሎ\" ብምባል ከሲሱ:: እቲ መግለፂ ኢትዮጵያ ዳግም ቤት ማእሰርቲ ብሄር ብሄረሰባትን ኣይትኾንን ዝበለ ኮይኑ መስል ዓርሰምሕደራ ብዝኾነ ምድራዊ ሓይሊ ኣይምንዛዕን ኢሉ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8C%8D%E1%8A%95%E1%89%A6%E1%89%B5-20-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%8C%B8-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-\/5439944.html"} {"headline":"‘ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንፌደራል መንግስቲ ምስ ደርጊ ምንፅፃሩ ካልእ ዕላማ ኣለዎ’ ኣቶ ንጉስ  ጥላሁን","content":"ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ፌደራል መንግስቲ ዘቕረቦ ነቐፌታ ብስምዒትን ቁጥዐን ዝተመልአ እዩ ዝበሉ ሓላፊ ክፍሊ ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን “ምኽንያት ሎሚ መፂኡ ናይ ዘሎ ለውጢ ቅድሚኡ ይፍፀም ዝነበረ ግፍዒ እዩ” ኢሎም። ንሶም ወሲኾም ነቲ ክልል ይመርሕ ዘሎ ጉጅለ ከምዚ ዝበለ መግለፂ ዘውፅእ ኣብ ክልል ትግራይ ይልዓል ንዘሎ ሕቶ ኣንፈት ንምስሓት እዩ ኢሎም። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ 20 ግንቦት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ልዕሊ ፌደራል መንግስቲ ብርቱዕ ነቐፌታ ኣቕሪቡኣሎ።ነዚ ምላሽ ዝሃቡ ሓላፊ ክፍሊ ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣቶ ንጉስ ጥላሁን ነቲ ክልልዝመራሕ ህውሓት ብዙሓትመግለፂታት ምውፅኡ ብምግላፅ ኣብቲ መግለፂ ዝወፁ መልእኽትታት ብሕርቃንን ስምዒትን ዝተመልኡ እዮም ኢሎም። ኣብ እዋን ከይዲ ለውጢ ሓሓሊፉ ፀገማት ኣይነበሩን ኣይብሃልን ዝበሉ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ነገር ግን ከም ስርዓት ናይ ዜጋታት መሳቐይን መፈፀሚ ግፍዕን ቦታታት ብስፍሓት ኣዳሊዩ፣ ሰብ መዲቡ ዘሳቒ ዝነበረ ቅድሚ ክልተ ዓመት ተወጊዱ እዩ ኢሎም። ኣብ 20 ግንቦት ኮይንና ክንርእይ ከለና ብዙሓት ዋጋ ዝተኸፈልሉ፣ንዴሞክራሲ ዝተቓለስሉ፣ ብዙሓት ኣሽሓት ዝሞቱሉ፣ሕቶ ሒዞም በረኻ ዝወፅሉን፣ ሎሚ ድማነዚ ናይ ለውጢ መስርሕ ንዝጎደለ ናይ ህዝቢ ሕቶ ን ምምላእ ዝመፀ እዩ ኢሎም። ኣቶ ንጉሱ ቀጺሎም ናይ ትግራይ ክልላዊ መንግስቲ ንናይ ፌደራል መንግስቲ ምስ ደርጊ ምንፅፃሩ ዝተፈለየ ዕላማ ኣለዎ ኢሎም ። ‘’ፍቕርን ምክእኣልን ሰላምን ኣብ ሃገርና ንምንጋስ መዓልቲ ምስ ለይቲ ምትጋህ ደርጊ ዘብል ይኮነን፤ኩሉ ግዜ ነቲ ሕብረተሰብ ከም መፈራርሒ ምጥቃም ስለዝተለምደን ካብ ትግራይ እቲ መንእሰይ ዘልዕሎ፣ኣዴታት ዘልዕልኦ ሕቶ ብዝተለመደ ኣገባብ ኣብቲ ህዝቢ ስግኣት ፀላእቲ ብምፍጣር ንምድንጋርን እዩ’’ ኢሎም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8D%8C%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%8C%8A-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%8D%85%E1%8D%83%E1%88%A9-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A5-%E1%8B%95%E1%88%8B%E1%88%9B-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8E-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%B5-%E1%8C%A5%E1%88%8B%E1%88%81%E1%8A%95-\/5439893.html"} {"headline":"ነበርቲ ከተማ አዲስ አበባ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ጉድለት ጥንቓቐ ስግኣት ከምዝፈጠረሎም ይዛረቡ","content":"ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዘተሓሳስባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብቲ ሕብረተሰብ ይረአ ዘሎ ጉድለት ጥንቃቐ ከቢድ ስግኣት ከምዝፈጥረሎም ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ገለ ነበርቲ ገሊፆም። ብፍላይ ድማ ኣብ ናይ ዕዳጋ ማእኸላትን ኣገልግሎት መጎዓዚያን እቲ ጉድለት ብሰፊሑ ከምዝርኣይ ተፈሊጡ ኣሎ።እቲ ቫይረስ ብብዝሒ ከምዝተረኣየ ኣብ ዝተገልፁ ክፈለ- ከተማታት ኣዲስ ከተማ፣ልደታን ኣራዳን ብርክት ዝበለ ህዝቢ ናይ ቀደም ኣገባብ መነባብርኡ ኣይቀየረን። ኣብ ኢትዮጵያ ሎሚ ዝተመዝገቡ 31 ሰባት ሓዊሱ በቲ ቫይረስ ካብ ዝተለኸፉ 731 መብዛሕቲኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይርከቡ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8C%89%E1%8B%B5%E1%88%88%E1%89%B5-%E1%8C%A5%E1%8A%95%E1%89%93%E1%89%90-%E1%88%B5%E1%8C%8D%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8D%88%E1%8C%A0%E1%88%A8%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8B%AD%E1%8B%9B%E1%88%A8%E1%89%A1\/5438176.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ለበዳ  ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣብ ልዕሊ ዝጠሓሱ 2,600 ሰባት ስጉምቲ ምውሳዱ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ለበዳ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዝተኣወጀ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣብ ልዕሊ 2,600 ሰባት ስጉምቲ ምውሳዱ ኮሚሽን ፖሊስ ናይቲ ክልል ኣፍሊጡ። ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ነብዩ ኢሳያስ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ክቕፅል እዩ ኢሎም ኣለው። ብኻልእ ወገን ኣብ ዞባ ጉራጌ ኣብ መንጎ ማረቆን መስቃንን ንዝለዓለ ዕንወት ንብረትን ምጥፋእ ህይወትን ምኽንያት ዝኾነ ግጭት ኣለዓዒሎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎምን ምርመራ ይካየዶም ከምዘሎን ገሊፆም። ነበርቲ በቲ ግጭት ዝሞቱ ሰባት 10 እዮም ክብሉ ከለው ምምሕዳር እቲ ዞባ ግን 6 ምዃኖም ምግላጹ ድምጺ ኣሜሪካ ቅድሚ ሰሙናት ምፅብፃቡ ይፍለጥ። ብዛዕባ እዚ ዝተሓተቱ እቶም ኮሚሽነር እቲ ጉዳይ ኣብ ምርመራ ከም ዘሎ ብምሕባር ብዝሒ ዝተቐትሉ ካብ ምግላፅ ተዓቂቦም ኣለው።ብዝሒ ዝሞቱ፣ዝተመዛበሉን ዝወረደ ዕንወት ንብረትን ዛጊት ብንፁር ኣይፍለጥን።ኣብቲ ከባቢ ‘’ኣንፃራዊ’’ ዝበሉዎ ሰላም ከምዝተፈጥረ’ውን ወስኪኾም ገሊፆም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%88%88%E1%89%A0%E1%8B%B3-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%A3%E1%8B%88%E1%8C%80-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%8C%85-%E1%88%85%E1%8C%B9%E1%8C%BD-%E1%8C%8D%E1%8B%9C-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8B%9D%E1%8C%A0%E1%88%93%E1%88%B1-2-600-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%B5%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8B%B1-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5438168.html"} {"headline":"ከተማኦም ማእከል ወረዳ ክትከውን ዝሓቱ ነበርቲ ዋጅራት ንራብዓይ መዓልቲ ሰልፊ አካይዶም","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ ዋጅራት ነበርቲ ባሕሪ ፀባ ማእኸል ወረዳ ክንኸውን ይግበአና ብምባል ሎሚ ረቡዕ ንራብዓይ መዓልቲ ሰልፊ ኣካይዶም:: ተመሳሳሊ ሕቶ ብዘለዎም ነበርቲ ከተማ ማይሓንሰ ተዓጽዩ ዝቐነየ መስመር ሽረ እንዳስላሰ- ደደቢት ትማሊ ተኸፊቱ:: ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ዓረና ኣይተ ዓምዶም ገብረስላሴ ህዝቢ ንብዝሕ እዋን ድምፁ ክስማዕ ስለዘይተገበረ ዝተፈጠረ እዩ ክብሉ ገሊፆም:: ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ንቴሌቭዥ ጣብያ እቲ ክልል ኣብ ዝሃብኦ መብርሂ: ኣብ ክልል ትግራይ ልምዓት ንቅልጣፍን ሰናይ ምሕደራ ንምስፋን ሓዱሽ ኣወዳድባ ምሕደራ ይፍፀም ኣሎ ኢለን ኣብዚ ኸይዲ ዘጋጥም ክፍተት ድማ ምስ ህዝቢ ብምዝታይ ንሰርሕ ኣለና ኢለን:: ኣብ ክልል ትግራይ ብመሰረት ሓዱሽ ኣወዳድባ ወረዳታት \"ከተማና ማእከል ወረዳ ወጅራት ክትኸውን ኣለዋ\" ብምባል ነበርቲ ዞባ ደቡብምብራቕ ወረዳ ወጀራት ከተማ ባሕሪ ፀባ ሎሚ ንራብዓይ መዓልቲ ሰልፊ ኣካይዶም:: ተሳተፍቲ’ቲ ሰልፊ መንግስቲ ድምፆም ክሰምዖም: ማዕኸናት ዜና እውን ብዛዕባ ሕቶ እቲ ህዝቢ ከጋውሓ ዝሓተቱ ኮይኖም: ምላሽ ክሳብ ዝረኽቡ ብሰላማዊ ሰልፊ ሕቶና ምቕራብ ክንቕፅልኢና ኢሎም:: ተመሳሳሊ ሕቶ ዘለዎም ነበርቲ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ኣሰገደ ከተማ ማይ ሓንሰ፡ መስመር ሽረ እንዳስላሰ- ደደቢት ን11 መዓልታት ዓጽዮምዎ ከምዝነበረ ፀብፃብ ምቕራብና ይዝከር:: ትማሊ እቶም ነበርቲ ምስ ኣመራርሓ መንግስቲ ዘተ ድሕሪ ምክያዶምሕቶኦም ክቕፅሉ፡ መንገዲ ግን ክኽፈት ተሰማሚዖም:: ምንጭታት ንድምጺ ኣሜሪካ’ቲ ከባቢ ከምዝገለፅዎ ሕቶ እቲ ህዝቢ ናብ መንግስቲ ክልል ትግራይ ንምቕራብ ተወከልቲ መሪፆም ኣለዉ:: ኣብዚ ጉዳይ ንሓላፊ ርክብ ህዝቢ ውድብ ዓረና ንልኣላውነትን ዴሞክራሲን ኣይተ ዓምዶም ገብረስላሴ ሓቲትናዮም: ህዝቢ ንብዝሕ እዋንድምፁ ክስማዕ ስለዘይተገበረ ዝተፈጠረ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም:: ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳታት ከም ብሓዱሽ ንምጥያሽ ይግበር ዘሎምንቅስቓስ ክፍተታት ዘለዎን ድምፂ ህዝቢ ዘይስመዐሉን እዩ ኾይኑ ኢሎም:: ማዕኸናት ዜና ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ብቅልጡፍ ጸብጻብ ኣየቕርባን ብምባል ድማ ቅሬትኦም ኣቕሪቦም:: መሓውራት ዜና ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ፀብፃብ ዘቕረባሉ መንገዲ ሓቅነት ዝጎደሎ ኣብ ገለገለ ድማ ዝተጋነነ ኮይኑ ዝብል ሕቶ ይለዓል እዩ: ኣብዚ ዘለኩም ርእይቶ እንታይ እዩ ተባሂሎም ዝተሓተቱ ኣይተ ዓምዶም: ኣብ ትግራይ ዘለዉ ማዕኸናት ዜና ብዛዕባ እቲ ኩነታት ኣብግዚኡ ፀብፃብ እተዘይኣቕሪበን ካልእ ኣካል ንናይ ባዕሉ ረብሓ ከውዕሎ ይኽእል ኢሎም ምላሽ ሂቦም:: ኣብዚ ጉዳይ ካብ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ክልልትግራይ ንምዝርራብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን: ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትንክልል ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ንቴሌቭዥ ጣብያ እቲ ክልል ኣብ ዝሃብኦ መብርሂ: ኣብ ክልል ትግራይ ልምዓት ንቅልጣፍን ሰናይምሕደራ ንምስፋን ሓዱሽ ኣወዳድባ ምሕደራ ይፍፀም ኣሎ: በዚ ኣሰራርሓ ህዝቢ ብቐረባ ኣገልግሎት ምምሕዳር ንክረክብ ዘኽእልኣሰራርሓ ይትግበር ኣሎ ዝበላ ኮይነን: ኣብዚ ኸይዲ ዘጋጥም ክፍተት ድማ ምስ ህዝቢ ብምዝታይ ንሰርሕ ኣለና ኢለን::: ወይዘሮ ሊያ ኣብዘረበአን ኣብዚ ሰሙን ማዕኸናት ዜና ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ወፍሪ የካይዳ ኣለዋ ብምባል ወቒሰን:: እዚ ድማ ኣብጉ ዳይ ምርጫን ግድብ ህዳሰንዘለዉ ዛዕባታት ንምቕያር’ ዩ ክብላ ገሊፀን:: ብተወሳኺ ዩ ትግራይ ማእኸል ህውከትን ዕግርግርን ንምግባር ዝተፍሓሰ ውዲት እዩ ኢለን:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8D-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B3-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%8A%A8%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%89%B1-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%8B%E1%8C%85%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%AB%E1%89%A5%E1%8B%93%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D\/5437926.html"} {"headline":"አኻታዒ ጉዳይ ብቀ\/እመቤት መሰረት ዝተነብረሉ ቤት ትምህርቲ ሸረ እንዳስላሴን ግብረመልሲ ምምሕዳር'ታ ከተማ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ብ20 ሚልዮን ብር ብቀዳመይቲ እመቤት ወ\/ሮ ዝናሽ ታያቸው ክህነፅ እምነ መሰረት ዝተነብረሉ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ብዛዕባ ህንፀቱ መዘራረቢ ኮይኑ ኣሎ:: ምስቲ ቤት ትምህርቲ መሰረት ዝተነብረሎም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት’ታ ሃገር ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ ካልኣይ ብርኪ ህንፀቶም ተዛዚሙ ተማሃሮ ምቕባል ምጅማሮም ምንጭታት ንድምፂ ኣሜሪካ ተዛሪቦም:: እቲ ናይ ሽረ እንዳስላሰ ቤት ትምህርቲ መንግስቲ ክልል ትግራይ ጠመተ ንክገብረሉ እውን ደብዳቤ ከምዝተፅሓፈ ገሊፆም:: ምምሕዳር እቲ ከተማ ብወገኑ ዝባኸነ ገንዘብ የለን ፀለመ’ዩ ክብል ምላሽ ሂቡ’ሎ:: ህንፀት እቲ ቤት ትምህርቲ ድማ ኣብ መስርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ:: ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ኣዋርሕ ተዛዚሙ ናብ ስራሕ ክኣቱ እዩ ክብል ኣፍሊጡ:: ብቀዳመይቲ እመቤት ወ\/ሮ ዝናሽ ታያቸው ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ይህነፁ ካብዘለዉ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ብ20 ሚሊየን ብር ወፃኢ ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥሪ እዩ ነይሩ እምነ መሰረት ምስተነበረ ህንፀት እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ከምዝዛዘም ኣብቲ እዋን ተገሊፁ ነይሩ:: ህንፀት እቲ ቤት ትምህርቲ ጠሚቱ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያን ማዕኸናት ዜናን መዘራረቢ ኮይኑ ኣሎ:: ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብልፅግና ፓርቲ ክልል ትግራይ ኣይተ ነብዩ ስሑልሚኪኤል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ገፆም ትማሊ ወይዘሮ ዝናሽ ታያቸው ዘበርከትኦ 20 ሚልዮን ብር ተበሊዑ ጠፊኡ እዩ ምባሎም ይፍለጥ:: ብዛዕባ እቲ ጉዳዩ ህዝቢ ይሓትት ኣሎ ዝበሉ ኣይተ ነብዩ: እቲ ገንዘብ ንመንግስቲ እቲ ክልል ኣታዊ ተገይሩ እዩ: ኮይኑ ግና ክሳብ ሐዚ እተን ቀዳመይቲ እመቤት ካብ ዘንበርኦ እምነ መሰረት ወፃኢ ካሊእ ነገር ከይተሰርሐ እቲ በጀት እውን ኣበይ ከምዝኣትወ ከይተፈለጠ ተሪፋ ክብሉ ከሲሶም:: ኣብቲ ጉዳይ ጠሚቱ ንምክትል ከንቲባ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ኣይተ ዝናቡ ደስታ ሓቲትና ህንፀት እቲ ቤት ትምህርቲ ዘደናጎየ ንሓረስቶት ዝወሃብ ካሕሳ እዩ ልዕሊ ዓቕሚ እቲ ፕሮጀክት ብምኻኑ እዩ ኢሎም:: ፈለማ እምነ መሰረት ኣብ ዝተነበረሉ ቦታ ንሓረስቶት ዝኽፈል ካሕሳ ልዕሊ ግምትናን ዓቕምን ብምኻኑ ኣብቲ ከባቢ ካሊእ ቕያር ቦታ ተረኺቡ ካሕሳ ብምሃብ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ድማ ህንፀቱ ተጀሚሩ ክብሉ ተዛሪቦም:: ህንፀት እቲ ቤት ትምህርቲ ክሳብ ሐዚ ዘይተፈፀመ እቲ ገንዘብ ስለዝባኸነ እዩ ዝብል ክሲ ምላሽ እንትህቡ: እቲ ገንዘብ ኣብ ባንኪ እዩ ዘሎ ህንፀት ካብ ዝጅመር ንደሓር ድማ ኣብ ስራሕ ይውዕል ኣሎ ኢሎም:: ዝባኸነ ገንዘብ የለን እዚ ፀለመ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም::ህንፀት እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝቕፅሉ 8 አዋርሕ ክዛዘም ምኻኑ ድማ ሓቢሮም:: ምንጭታት ቤት ፅሕፈት ቀዳመይቲ እመቤት ንድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ከምዝገለፅዎ: እቲ ቤት ትምህርቲ ክህነፅ ምስ መንግስቲ ክልል ትግራይ ናይ ስምምዕ ሰነድ ዝተፈረመ 22 መስከረም 2011 እዩ ነይሩ:: መስከረም 24, 2011 ድማ ንህንፀት እቲ ቤት ትምህርቲ ዝኸውን 20 ሚሊዩን ብር ናብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን እቲ ክልል ኣታዊ ገይርና ኢሎም:: ብተመሳሳሊ እቲ ገንዘብ ዝተለቐቐሎም ኣብ ጎንደር ሎዛ ማሪያም : ምዕራብ ጉጂ : ደሴ ጦሳ ፈላናን ደብረዘይት ኣብያተ ትምህርቲ ህንፀት ተዛዚሙ ተማሃሮ ምቕባል ከምዝጀመሩ ኣመላኺቶም:: እቲ ናይ ሽረ ግን ብዝተፈለየ ኣብዚ ሓደ ዓመት: ብዛዕባ ብርኪ እቲ ህንፀት ዝገልፅ ሪፖርት እውን ኣይመፅአናን ክብሉ ኣረዲኦም:: ብምኽንያት እዚ ድማ 4 ጥሪ 2012 ናብ መንግስቲ ክልል ትግራይ ህንፀት እቲ ቤት ትምህርቲ ጠመተ ንክገብረሉ ደብዳቤ ፅሒፍና ኢሎም:: ጠመተ ዘይወሃቦ እተኾይኑ እቲ ፕሮጀክቱ ኦዲት ተገይሩ እቲ ገንዘብ ክምለስ ዝሓትት እዩ:: በቲ ገንዘብ ድማ እቲ ቤትፅሕፈት ባዕሉ ኣብ ሽረ እንዳስላሴ ቤት ትምህርቲ ክሃንፆ ዝሓትት ደብዳበ ምኻኑ ኣፍሊጦም:: ምሉእ ት ሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A0%E1%8A%BB%E1%89%B3%E1%8B%92-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%89%80-%E1%8A%A5%E1%88%98%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%90%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%89-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%B8%E1%88%A8-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%8B%B3%E1%88%B5%E1%88%8B%E1%88%B4%E1%8A%95-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%89%B3-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B\/5436544.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ  ናብ 655 ክብ ምባሉ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት 225 ሰባት ቫይረስ ኮሮና ተረኺብዎም። ከም ሓበሬታ ሚንስትሪ ጥዕና`ታ ሃገር እቲ ቁጽሪ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ሓደ እዋን ካብ ዝተመዝገበ ዝለዓለ`ዩ። ኩሎም ድማ ምስ ዝሓመመ ሰብ ናይ ምርኻብ ወይ ንወጻኢ ናይ ምግያሽ ታሪኽ ዘይብሎም ብምዃኖም ካልእ ሕቶ ዘልዕል ምዃኑ ሰብ-ሞያ ጥዕና ይገልጹ`ለዉ። ኣብ ከተማ ደሴ ድማ ንመጀመርያ ግዜ ሓደ ውልቀሰብ- ተረኺብዎ- ቫይረስ ኮሮና ዘለዎ- ውልቀሰብ ናብ ጅቡቲ ዝመላለስ መራሒ መኪና ምዃኑ ተሓቢሩ`ሎ። በዚ ምኽንያት ምስኡ ርክብ ኔርዎም ክኾኑ ይኽእሉ`ዮም ዝተባህሉ 75 ሰባት ናብ መፍለዪ ቦታ ተወሲዶም ኣለዉ። ብኻልእ ወገን ኣብ ክልል ኣምሓራ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝትታሕዙ ኣብ ዝወሰኸሉ እዋን፥​ ምስ`ቶም ሕሙማት ርክብ ኔርዎም ዝተባህሉ ሰባት ናይ ምፍላይ ስራሕ ይስራሕ ከምዘለዎ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ኣፍሊጡ። ካብ መንጎ`ቶም ክውሸቡ ተገይሩ ዘሎ፥ ሰብ-ሞያ ጥዕናን ቤተ-ሰብን ይርከብዎም። ​ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ንክሕከሙ ሆስፒታል ዝኣተዉ ክልተ ሰባት፥ ብጥርጣረ ምስተመርመሩ`ዮም እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም። ንሳቶም ናብ ወጻኢ ናይ መገሻ ኾነ ምስ ዝሓመሙ ናይ ምርኻብ ታሪኽ ዘይነበሮም ምዃኖም`ዩ ተገሊጹ ዘሎ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ብኮሮና ቫይረስ ዝተታሕዙ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ናብ 27 ክብ ከምዝበለ`ውን ኢንስቲቱት ጥዕና`ቲ ኽልል ኣፍሊጡ`ሎ- ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%89%A5%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%95%E1%8B%99-%E1%8A%93%E1%89%A5-655-%E1%8A%AD%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%89-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5435229.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ነበርቲ ማይሓንሰን ነበርቲ ባሕሪ ጸባ ዋጅራትን፥ ክልላዊ መንግስቲ ጠለብና ኣይሰማዓናን ብዝብል ተቓውሞኦም ኣስሚዖም","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ነበርቲ ማይሓንሰን ነበርቲ ባሕሪ ጸባ ዋጅራትን፥ ክልላዊ መንግስቲ ጠለብና ኣይሰማዓናን ብዝብል ናብ ጽርግያታት ብምውጻእ ተቓውሞኦም ኣስሚዖም። ነበርቲ ከተማ ማይ ሓንሰ፥ ማእኽል ወረዳ ኣስገደ ክንኸውን ይግባእ ብምባል ንመስመር ሽረ እንዳስላሴ- ደደቢት፡ ን11 መዓልታት ዓፅዮም:: ምምሕዳር ወረዳ ኣስገደ ብወገኑ ማእኸል ወረዳ ክኸውን ዝውስን ቤትምኽሪ እዩ በዚ ድማ እቲ ባይቶ ክሳድ ጋባ ማእከል ክትኸውን ብብዝሒ ድምጺ ወሲኑ እዩ ኢሉ:: ብተመሳሳሊ ኣብቲ ክልል ወጀራት እውን ከተማ ባሕሪ ፀባ ማእኸል ወረዳ ክትኸውን ኣለዋ ብምባል ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም ኔሮም:: ርእይትኦም ዝሃቡና ነበርቲ ከምዝሓበርዎ ሕቶና ማእኸል ወረዳ ምዃን እናሃለወ ፖለቲካዊን ዓመፅን ተገይሩ ይግለፅ ዘሎ ዘይትኽክልን ፀለመን እዩ እዩ ኢሎም ኣለዉ ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%9B%E1%8B%AD%E1%88%93%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%8A%95-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%8C%B8%E1%89%A3-%E1%8B%8B%E1%8C%85%E1%88%AB%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8C%A0%E1%88%88%E1%89%A5%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%88%B0%E1%88%9B%E1%8B%93%E1%8A%93%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%88%9E%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%9A%E1%8B%96%E1%88%9D\/5435217.html"} {"headline":"መልእኽቲ ፕረ.ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብምኽንያት መበል 29 ናጽነት ኤርትራ","content":"ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ለበዳ ኮሮና ኣብ ኣዝዩ ሓጺር እዋን ኣስዒብዎ ዘሎ ቁጠባዊ ዕንወትን ስምብራቱን፥ ሰንኮፋውነት ዓለማዊ ስርዓተ-ቁጠባ ብግልጺ ዝተራእየሉ እዩ ኢሉ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምኽንያት መበል 29 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ትማሊ ሰንበት ብቪድዮ ኣብ ዘመሓላላፎ መልእክቲ፥ ኣብ መኸተ ለበዳ ኮሮናን መደባት ልምዓትን ኣተኩሩ ተዛሪቡ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%89%B2-%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%89%A0%E1%88%8D-29-%E1%8A%93%E1%8C%BD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-\/5435192.html"} {"headline":"ኣመሪካ: መልእኽቲ ብምኽንያት መበል 29 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ","content":"ፕረዚደንት ትራምፕ ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብስም ህዝቢ ኣመሪካ ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ መልእኽቶም ፥ ኣብዚ ለበዳ ንዓለም ዘናውጸሉ ዘሎ ከቢድ እዋን፥ ንመንፈስ ህዝቢ ዓለም ዘበራብር ኣጋጣሚታት ምዝካር ኣገዳሲ`ዩ- ጽንብል ናጽነት ኤርትራ ድማ ትርጉም ናጽነት ንኹሎም ኣህዛብ ንምጽብራቕ ዕድል ዝህብ ኣጋጣሚ`ዩ ምባሎም- ካብ ሻባይት ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት። ምስዚ ብዝተኣሳሰር: ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፒዮ ብምኽንያት መበል 29 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ንህዝቢ ኤርትራ ዮሃና ኢሎም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፥ ኤርትራ ፥ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፥ ቁጠባዊ፥ ዞባውን ጸጥታውን ምትሕብባር ንክሕይል ዝንኣድ ስጉምታት ወሲዳ`ያ ክብሉ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፕዮ ገሊጾም።። ንሶም ኣብ መወዳእታ: ንኤርትራ ኩሉ ዓወት ንምነየላ፥ ከምኡ ድማ ኣብ`ቲ ዞባ ሰላምን ጸጥታን መሊኡ ንኽድልድል በቲ ጀሚራቶ ዘላ ጉዕዞ ክትቅጽል ተስፋ ንገብር ኢሎም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AD-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%A9%E1%88%83%E1%8A%93-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%89%B2-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%B0%E1%8B%B2%E1%8B%B6%E1%88%9D\/5434875.html"} {"headline":"መቐለ: ንምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ዝሕግዙ ምህዞታት","content":"ኣብ መቐለ ዝተፈላለዩ መናእሰይ ዝተፈላለዩ ምህዞታት ብምስራሕ ናብ ህዝቢ የብፅሑ ኣለዉ። ኣብ ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ትግራይ ዝርከቡ መንእሰይ መምህራን ብውልቂን ብጉጅለን ብምዃን ምህዞታት በብግዚኡ ብምምሃዝ ዝተምሃዙ ብምምዕባልን ካብ ምቅራብ ኣይተቆጠቡን። ኣብ ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ትግራይ ዝርከቡ መምህር ጠዓመ ተስፋይ፥ መምህር ብርሃነ ወልዳይን ብውልቐ ድማ መንእሰይ ፍሬው ሕሸን ኣብ ዝሰርሕዎም ምህዞታት ኣመልኪትና ዝገበርናዮ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ምስማዕ ይከኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%88%95%E1%8C%8D%E1%8B%99-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%8B%9E%E1%89%B3%E1%89%B5\/5434804.html"} {"headline":"ኣብ ደቡብ ኦሮምያ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታን ደባይ ተዋጋእቲ ኮነግን ቶኽሲ ምቕጻሉ ተገሊጹ","content":"ኣብ ደቡብ ኦሮሚያ ዞባ ጉጂ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፀጥታን ደባይ ተዋጋእቲ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ \/ኦነግ\/ ቶኽሲ ከምዝቐፀለ ምምሕዳር እቲ ዞባ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ድሕነት ፀጥታ ምብራቕ ጉጂ ኣቶ ወልዴ ዱጎ ኣብቲ ዞባ ብሽም ኦነግ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ኣባላት ፖሊስ መጥቓዕቲ ብምፍፃም ን12 ፖሊስ ምቕታሎም ኣረጋጊፆም። እቲ መጥቓዕቲ ቅድሚ ሰሙን ከምዝተፈፀመ ዝገለፁ ንሶም ቅድሚ ሎሚ እውን ዝተፈላልዩ መጥቓዕታት ከጋጥሙ ምፅንሖም ሓቢሮም። ኣብ ምብራቕ ጉጂ ምኽትል ኣዛዚ እቶም ደባይ ተዋጋእቲ ዋቁምሳ ጉቱ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ኦሮሚያ ዝወረደ ጉድኣት ካብቲ ሰበስልጣን መንግስቲ ዝገለፁዎ ንላዕሊ እዩ፤ ንኣስታት 30 ሓይልታት መንግስቲ ቐቲልና ንሓሙሽተ ማሪኽና ኣለና። 18 ክላሽን እውን ማሪኽና ኣለና፤ኣብዝተፈላለዩ ዞባታት እውን ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ንርከብ ኣለና ኢሉ።ኣብ ልዕሊ ኣባላቱ ካብ መቑሰልቲ ዝሓለፈ ጉድኣት ከምዘየጋጠመ ውን ወሲኹ ሓቢሩ። ነበርቲ እቲ ከባቢ በቲ ውግእ ኣብ ዓብይ ሽግር ከምዝርከቡ ገሊፆም ኣለው ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9A%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8E-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8D%80%E1%8C%A5%E1%89%B3%E1%8A%95-%E1%8B%B0%E1%89%A3%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%8B%8B%E1%8C%8B%E1%8A%A5%E1%89%B2-%E1%8A%A6%E1%8A%90%E1%8C%8D%E1%8A%95-%E1%89%B6%E1%8A%BD%E1%88%B2-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%8C%BB%E1%88%89-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5432161.html"} {"headline":"ክልል ትግራይ: ሰለስተ ውድባት ፖለቲካ ኣብቲ ክልል ምርጫ ንምክያድ ዘድልይ ምንቅስቃስ ይካየድ የለን ክብሉ ወቒሶም","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ዝንቀሳቐሳ ሰለስተ ውድባት ኣብቲ ክልል ምርጫ እንተዘይተኻይዱ ሕጋዊ መንግስቲ ስለዘይህሉ ነዚ ኩነታት ምፍጣር ተሓታቲ መንግስቲ እቲ ክልልን እቲ ክልል ይመርሕ ዘሎ ውድብን እዩ ኢሎም:: እቶም ውድባት ብሓባር ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ብደረጃ ክልል ኣብ ክልል ትግራይ ምርጫ ክካየድ እዩ ዝብል ብገዛኢ ውድብ እቲ ክልል መግለፂ እንተተውሃበ ስሩዕ ዝኾነ ምንቅስቓስ ኣይተጀምረን ክብሉ ወቒሶም:: ኣብዚ ጉዳይ ምላሽ ዝሓተትናዮም ላዕለዋይ ኣመራርሓ እቲ ክልል: ምርጫ ንምክያድ ፖለቲካዊ ውሳነ ተዋሂቡ ይስራሕ ኣሎ ብምባል ኮይኑ ግና ርኡይ ዝኾነ ስራሕቲ ሕጊ ንምፍፃም ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኣብ ጉዳይ ምርጫ ናይ መወዳእታ ውሳነ ከሕልፍ ይግባእ ኢሎም:: ሳልሳይ ወያነ ትግራይ: ባይቶናን ውድብ ናፅነትን ሎሚ ብሓባር ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ቅዋም ኣብ ትግራይ ብክልል ደረጃ ምርጫ ንምክያድ ዘድሊ ርኡይ ምንቅስቓስ ኣይግበርን ዘሎ ብምባል ወቒሶም:: ሰለስቲኦም ውድባት ኣብ ትግራይ ምርጫ ኣብ እዋኑ ክሳለጥ ብነፍሲ ወከፍ ቅድሚ ሐዚ መርገፂ ሒዞም ይንቀሳቐሱ ዝነበሩ ኮይኖም ሎሚ ድማ ብሓባር ኣብ ክልል ትግራይ ምርጫ ክካየድን ነቲ ምርጫ ዘድልዩ ስራሕቲ ድማ ርኡይ ምድላዋት ድማ ክጅመር ፀዊዖም:: እቶም ውድባት ኣብ መግለፂኦም \"ትግራይ ብልዑል መስዋእቲ ዝተረጋገጸ መሰል ዓርሰ ውሳነ ብዝኾነ ምኽንያት ኣሕሊፋ ክትህብ ኣይንፈቅድን\" ኢሎም:: መግለፂ እቶም ውድባት ከምዝሕብሮ ካብ ቀንዲ መግለፂታት መሰል ዓርሰ ውሳነ ድማ ምርጫእዩ ክብል ጠቒሱ:: ምርጫ እንድሕር ዘይተኻይዱ ኣብ ክልል ትግራይ ንምምሕዳር ሕጋዊ ስልጣን ዘለዎ ውድብ ኣይህሉን፡፡ ስለዝኾነ ትግራይ ብህዝቢ ዝተመረፀ ሕጋዊ መንግስቲ ክህልዋ ኣለዎ፡፡ ኣብ ክልል ትግራይ ምርጫ ክካየድ እዩ ካብ ዝብል ወፃኢ: ገዛኢ ውድብ መንግስቲ እቲ ክልል: ትግራይ ተቐባልነት ዘለዎ ፍትሓውን ዴሞክራሰያውን ምርጫ ክተካይድ ከም ገዛኢ ውድብ መጠን ሓላፍነት ተሰሚዕዎ ግልጽን ዘየሻምን መትከል ኣይሓዘን ክብሉ እቶም ውድባት ወቒሶም:: ፍትሓውን ዴሞክራሰያውን ምርጫ ንምክያድ ድማ ጥጡሕ ፖለቲካዊ ምህዳር ክህሉ ይግባእ፡፡ እዚ ክሳብ ሎሚ ኣብ ትግራይ ኣይተፈጠረን፡፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዘርእዩ ዘሎ ሓላፍነት ዝጎደሎ ዕሽሽ ምባል ኣትሪርና ንቃወም ኢሎም:: ኣብቲ ክልል ምርጫ እንተዘይተኻይዱ ሕጋዊ መንግስቲ ስለዘይህሉ ነዚ ኩነታት ምፍጣር ተሓታቲ መንግስቲ እቲ ክልልን እቲ ክልል ይመርሕ ዘሎ ውድብን እዩ ኢሎም:: ኣብዚ ጉዳይ ምላሽ ንምርካብ ንሓላፊ ቢሮ ፍትሕ መንግስቲ ክልል ትግራይን ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ሓቲትና: ምርጫ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ድልየት ከምዘይነብረ ህወሓት ኣቐዲሙ ስለዝተረደአ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር መርገፂኡ ንጹር ጌሩ’ዩኢሎም:: ኣብቲ እዋን ከም ሃገር ምርጫ ዘይካየድ እንተኾይኑ ምርጫ ከም ክልል ክካየድ ኣንፈት ተነፂሩ ነይሩ ኢሎም:: ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ብዝብል ምርጫ ክናዋሕ እዩ ተባሂሉ ምስተገለፀ ከም ህወሓት እቲ ምርጫ ኣብ ትግራይ ክካየድን ምድላዋት ክግበር ተወሲኑ ክብሉ ተዛሪቦም:: ውሳነ ገዛኢ ውድብ ድማ ቅዋም መንግስቲ እት ክልል ምኻኑ ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ኣብ መግለፂኦም ኣነፂሮም እዮም ክብሉ ኣይተ ኣማኑኤል ገሊፆም:: ኣብዚ ሐዚ እዋን ብወገን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ናይ መወዳእታ ውሳነ ስለዘይተውሃቦ ኣዋጅ ምውፃእ ይኹን ስራሕ ምልዕዓል ብግልፂ ክጅመር ኣይክእልን ኢሎም:: ካብ ኩሉ ንላዕሊ ግና እቲ ምርጫ ንክካየድ ብወገን ክልል ትግራይ ፖለቲካዊ ውሳነ ተዋሂብሉ እዩ ክብሉ ሓቢሮም:: ህወሓት ዝወሰኖ ውሳነ ዝትግበር እምበር ንዘረባ ጥራሕ ተባሂሉ ኣይኮነን ዝበሉ ኣይተ ኣማኑኤል ህዝብና ዝተቓለሰሉ መሰሉ ክጥቀም ንምግባር እዩ ኢሎም:: ምስቶም ውድባት እውን ብሓባር ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ገሊፆም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8B%AB%E1%8B%B5-%E1%8B%98%E1%8B%B5%E1%88%8D%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%B5%E1%89%83%E1%88%B5-%E1%8B%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8B%A8%E1%88%88%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8B%88%E1%89%92%E1%88%B6%E1%88%9D\/5431807.html"} {"headline":"አዲስ አበባ: ኣብ መደበር ፖሊስ ልደታ 66 ሰባት ቫይረስ ኮሮና ከም ዝተረኽቦም ይግለጽ'ሎ","content":"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መደበር ፖሊስ ልደታ ፥ ኣብ ዝርከብ ግዚያዊ መጽንሒ ተጠርጠርቲ፥ 66 ሰባት ቫይረስ ኮሮና ከም ዝተረኽቦም ይግለጽ ኣሎ ። ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ግን ብዝካየድ ዘሎ ልዑል ጥንቃቐ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦ እሱር ከምዘየለ ጠቕላሊ ዓቃቢት ሕጊ ኣዳነች ኣበበ ንመሓውራት ዜና ውሽጢ ሃገር ኣፍሊጣ`ላ። ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዝርከቡ እሱራት ቫይረስ ኮሮና ተረኺብዎም ዝብል ወረ ሓሶት ምዃኑ ኣፍሊጡ`ሎ። ኣብ ኩሉ ኣብያት ማእሰርቲ ንዝርከቡ እሱራት ንምሕላው ልዑል ጥንቃቐ ከም ዝግበር ዝሓበረት ጠቕላሊት ዓቃቢ ሕጊ ብወገና፥ ኣብ ኩሉ መደበራት ፖሊስ`ውን ተመሳሳሊ ጥንቃቐ ክግበር ኣተሓሳሲባ'ላ። ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣቐድም ኣቢሉ ነቲ እሱራት ብቫይረስ ኮሮና ተታሒዞም ዝብል ወረ ኣሉታዊ መልሲ ሂብሉ ኔሩ'ዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%B0%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%88%8D%E1%8B%B0%E1%89%B3-66-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8A%A8%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%A8%E1%8A%BD%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%8B%AD%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BD-%E1%88%8E-\/5430267.html"} {"headline":"ኣስመራ: ዕላል ምስ ካብ ኮቪድ-19 ዝሓወየ ኤርትራዊ ዜጋ","content":"ኣቶ ሙሴ ቴድሮስ(ዓረቦ) ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነበር ኤርትራዊ’ዩ። ኣብ ወርሒ መጋቢት ንዕረፍቲ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ኣብ መወሽቢ ድሕሪ ምእታዉ ብዝተገብረሉ መርመራ ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተለኽፈ ተረጋጊጹ።ኣብ ሆስፒታል ኣትዩ ድሕሪ ዝተገብረሉ ሕክምናዊ ሓገዝን ምክትታልን ከኣ ካብ’ቲ ሕማም ሓውዩ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝረከብ ንድምጺ ኣሜሪካ ብስልኪ ሓቢሩ’ሎ ። ምስ ሙሴ ዝተኻየደ ዕላል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8B%95%E1%88%8B%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%AE%E1%89%AA%E1%8B%B5-19-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%8B%88%E1%8B%A8-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%9C%E1%8C%8B\/5430108.html"} {"headline":"ሕብረት ኤርትራውያን ንምምካት ለበዳ ኮረና ቫይረስ\" ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓገዝ ሂቦም","content":"\"ሕብረት ኤርትራውያን ንምምካት ለበዳ ኮረና ቫይረስ\" ካብ መላእ ዓለም ዘተኣኽኸብዎ ልዕሊ 2.7 ሚልዮን ኣብ ክልል ትግራይ መዓስከር ስደተኛታት ንዝርከቡ ኤርትራውያን ሓገዝ ሂቦም:: እቲ ሓገዝ መግብን ናውቲ ፅርየትን ኮይኑ ሕዱር ሕማም ንዘለዎምን ዓቕሚ ዘይብሎም ስደተኛታትን ዝወሃብ እዩ:: ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሕፃፅ ዝነብር ኣይተ ኣስመላሽ ግርማይ ኣብ ዓንዲ ሕቑኡ ፀገም ጥዕና ከምዘለዎ ይዛረብ:: ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዘሎ ቫይረስ ኮሮና ዝተፍላለዩ ትካላት ኣብ ዝተዓፀውሉ እዋን ኣብ ፀገም ንርከብ ይብል:: \"ሕብረት ኤርትራውያን ንምምካት ለበዳ ኮረና ቫይረስ\" ገንዘብ ኣተኣኻኺቦም ዝገበርዎ ሓገዝ ነቲ ፀገም ኣብ ምቅላል ልዑል ግደ ኣለዎ ክብል ተዛሪቡ \"በዚ ድማ ቐፃሊ ተስፋ ክህለወና ዝገብር እዩ\" ኢሉ ኣይተ ሙሉጌታ የማነ ዝተብሃለ ካሊእ ነባሪ መዓስከር ስደተኛያት ሕፃፅ ብወገኑ: ብምኽንያት ቫይረስ ኮረና ኣብ መዓስከር ዝነብሩ ስደተኛታት ዘለዎም ፀገም ንምፍታሕ ኣብ ወፃኢ ብዝነብሩ ኤርትራውያን ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ዝምስገን እዩ ኢሉ:: ኣብ ኣርባዕተ መዓስከር ስደተኛታት ይካየድ ንዘሎ ሓገዝ የተሓባብር ዘሎ ኣይተ ተስፍኦም ገብረመድህን:: እቲ ሓገዝ ምግቢን ናውቲ ፅርየትን ኮይኑ ኣብ መዓስከራት ሕፃፅ: ሽመልባ: ዓዲሓርሽን ማይ ዓይንንን ዝርከቡ ልዕሊ 2160 ጉድኣት ኣካል ሕዱርሕማም ንዘለዎም ስደተኛታት ምኻኑ ተዛሪቡ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8A%AB%E1%89%B5-%E1%88%88%E1%89%A0%E1%8B%B3-%E1%8A%AE%E1%88%A8%E1%8A%93-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%88%82%E1%89%A6%E1%88%9D\/5428412.html"} {"headline":"ሃዋሳ:ፍቼጫምባላላ ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ንዘገም ዝተቓልዑ ነበርቲ ብምሕጋዝ ይኽበር ከምዘሎ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ከባቢ ሲዳማ ኣብ ኣደባባይ ጉዱማሌ ብድሙቕ ይኽበር ዝነበረ ናይ ፍቼጫምባላላ በዓል ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ንፀገም ዝተቓልዑ ነበርቲ ወረዳታት ሲዳማን ከተማ ሃዋሳን ብምሕጋዝ ይኽበር ከምዘሎ ዝበፅሐና ዜና ሓቢሩ። ናይዚ ዓመት በዓል ህዝቢ ኣብ መንበሪ ገዛ ከኽበር ዓበይቲ ዓዲ ሲዳማ ምውሳኖም ምስትውዓሎምን ሓላፍነቶምን ዘመስከርሉ ምዃኑ ዝገለፁ ኣማሓዳሪ ሲዳማ ኣቶ ደስታ ለዳሞ ኣብዘሕለፉዎ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ብዝለዓለ ጥንቃቐከኽብሩዎ ኣተሓሳሲቦም። ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ብወገኖም ዓበይቲ ዓዲ ሲዳማ ዓለም እትርከበሉ ኩነታት ብምርዳእ እቲ በዓል በብገዝኡ ክኽበር ዘሕለፉዎ እዋናዊ መልእኽቲ ንሃገሮምን ህዝቦምን ሓላፍነት ዝስምዖም ልዕሊ ኩሉ ንህይወት ሰብ ዝግደሱ ምዃኖም ዘርኣየ ብምዃኑ ኣድናቖቶም ገሊፆም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%8D%8D%E1%89%BC%E1%8C%AB%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%88%8B-%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%95%E1%8D%80%E1%8C%88%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%93%E1%88%8D%E1%8B%91-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8C%8B%E1%8B%9D-%E1%8B%AD%E1%8A%BD%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5427985.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት 389 ምምዝጋቡ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 3,460 ሰባት ብዝተገብረ ምርመራ 24 ሰባት ቫይረስኮሮና ከምዝተረኸቦም ሚንስትር ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጠን።እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት ካብ ክሊ ዕድመ ኣርባዕተ ዓመት ክሳብ 57 ዓመት ዝርከቡ ምዃኖም ተሓቢሩ’ሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 389 በፂሑ ኣሎ። እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም 9 ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ኣብ ክልል ኣምሓራን 7 ድማ ኣብ ክልል ትግራይን እዮም።ካብቶም ዝተለኸፉ 12 ናይ ወፃኢ ሃገር ጉዕዞ ታሪኽ ዘለዎም ምዃኖም ተሓቢሩ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%89%A5%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%95%E1%8B%99-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8C%8B%E1%89%A1-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5427958.html"} {"headline":"‘ምዕባለ ጉዳይ ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ኢትዮጵያ፣ ብቀረባ ይከታተልዎ ከምዘለው’ ዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ሓቢሮም","content":"‘ምዕባለ ጉዳይ ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ኢትዮጵያ፣ ብቀረባ ይከታተልዎ ከምዘለው’ ዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ሓቢሮም። ኢትዮጵያ፣ ግብጺን ሱዳንን ዛጊት ኣብ ዘካየደኦ ልዝብ ዝተመዝገበ ስዳሮ ከምዝፈልጡ ዘዘኻኸሩ እቶም ዋና ጸሓፊ፣ እቶም ዘይተፈትሑ ኣፈላላያት ብሰላማዊ ኣገባብ ንከደቅሳን ንሓባራዊ ረብሓ ክተግሃን አተባቢዖም። ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ግድብ ህዳሴ ዝተኸተመ ስምምዕ መትከላት ብምጉላሕ፣ ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ፣ ሓባራዊ ረብሓ፣ ሰናይ ድልየት፣ ኩሉ ተረባሒ ዝገብርን ንዓለምለኸ ሕግታት ዝተመርኮሰን ከምዝኾነ ኣትሪሮም ገሊጾም። ብመሰረት’ዞም መትከላት’ዚኦም፣ ናብ ምቹእ ስምምዕነት ንክብጻሕ እውን ዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃ አንቶንዮ ጉተረዝ ኣተባቢዖም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%89%A3%E1%88%88-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%89%A5%E1%8B%AA-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%89%80%E1%88%A8%E1%89%A3-%E1%8B%AD%E1%8A%A8%E1%89%B3%E1%89%B0%E1%88%8D%E1%8B%8E-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%8A-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%89%B6%E1%8A%95%E1%8B%AE-%E1%8C%89%E1%89%B0%E1%88%A8%E1%8B%9D-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/5426717.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት 14 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ምምዝጋቦም ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 24 ሰዓታት መርመራታት ላብራቶሪ ካብ ዝተገብረሎም 3,271 ሰባት 14 ሰባት ቫይረስ ኮሮና ዝተረኸቦም ኮይኖም ኣለው። እቶም ሰባት ዕድሚኦም ካብ 9 ክሳብ 68 ዓመት ከምዝኾኖምን፣ 14 ደቂ ተባዕትዮ አተን 3 ድማ ደቂ ኣንስትዮ እየን።ትሸዓተ ኣብ አዲስ አበባ ፣ 1 ካብ ትግራይ፣ 1 ካብ ኦሮምያ፣ 3 ካብ ክልል ሶማሌ እዮም። እቶም ሽዱሽተ ናብ ወጻኢ ሃገራት ዝተመልሱ፣ እቶም ሸውዓተ ድማ ቫይረስ ኮሮና ምስ ዝሓዞ ሰብ ዝተራኸቡ ከምዝኾኑ’ውን ዝመጸና ዜና ጠቂሱ። እዚ ከም’ዚ’ሉ ከሎ፣ ኣብ ኢትዮጵያ መዓልታዊ ብቫይረስ ኮሮና ብዝሒ ዝታሓዙ ሰባት ናብ ክልተ ኣሃዝ ካብ ዝሰግር ሰሙናት ተቆጺሩ ኣሎ። ነዚ ኣመልኪታ ርእይቶ ዝሃበት ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀ\/ሚ ዝኾነት ቢል ለኔ ስዩም ‘ትማሊ ብበዝሒ ዝተለኸፉ ሰባት ከምዝተመዝገቡን፣ ሕብረተ ሰብ ካብ’ዚ ለውጢ’ዚ ክማሃርን ክጥንቀቅን ከምዝግባእ’ ኣተሓሳሲባ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%88%88%E1%8D%88-24-%E1%88%B0%E1%8B%93%E1%89%B3%E1%89%B5-14-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%95%E1%8B%99-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8C%8B%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5426700.html"} {"headline":"ወደብ ጅቡቲ ንኢትዮጵያ ዝህቦ ዝነበረ ኣገልግሎት ደው ከምዝበለ ተገሊጹ","content":"ኣብ መንጎ ካብ ኢትዮጵያ ዝወፅእን ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትውን ኣቑሑት ዘመላልሱ ዘወርቲ መኪናን ሓይልታት ፀጥታ ጅቡቲን ብሰንኪ ዝተላዕለ ምስሕሓብ ኣገልግሎት መጎዓዚያደው ከምዝበለ ማሕበራት ሰብ ንብረት መጎዓዚያ ኢትዮጵያ ገሊፆም። እቲ ብዝተፈጥረ ምስሕሓብ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኢትዮጵያዊ ዘዋሪ መኪና ጉድኣት ከምዝወረደ ወኪል ናይቲ ማሕበር ሓቢሮም። ኣብ ጅቡቲ ናይቲ ማሕበር ተወካሊ ንድምጺኣሜሪካ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ኣብ ተርሚናል ወደብ ጅቡቲ ምፅባባት ስለዝተፈጥረ ኢትዮጵያዊያን ዘወርቲ መኪና ቅሬታ ኣብዘቕረብሉ እዋን ምስ ሓይልታት ፀጥታ ጅቡቲ ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኢትዮጵያዊያ ዘዋሪ መኪና ጉድኣት ወሪዱ ኣሎ ኢሎም። እቶም ዘወርቲ መኪና ነዚ ብምቅዋም ኣድማ ብምግባር ናብ ወፃኢ ዝልኣኽ ዝፀዓና መካይን ጠጠው ኢለን ከምዝርከባን ኣብ ልዕሊ እቲ ዘዋሪ ጉድኣት ዘውረደ ኣባል ፀጥታ ጅቡቲ እውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምውዓሉ ሓበሬታ ከምዝለዎምን እቶም ተወካሊ ሓቢሮም። ኢትዮጵያዊያን ዘወርቲ መካይን ኣብ ወደብ ጅቡቲ ኣቑሕት ንምፅዓንን ንምርጋፍን ብዙሕ ገልታዕታዕ ከምዝወርዶም እውን ወሲኾም ሓቢሮም። ካብ ትማሊ ጀሚሩ ንውሽጢ ሃገር ዝውዕል ቀረብ ዝፀዓና መካይን ጠጠው ምባለን ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ምስ ሰበስልጣን ጅቡቲ ምዝርራቦም ገሊፆም ኣለው።ኣብቲ ዝርርብ ኢትዮጵያዊያን ዘወርቲ መኪና ብወኪሎም ኣቢሎም ምስታፎም ዝገለፁ ኣብጅቡቲ ወኪል ማሕበር ወነንቲ መጎዓዚያ ኢትዮጵያ ኣቶ ሙሉቀን ብርሃኑ ዝተቛረፀ ኣገልግሎት መጎዓዚያ ስርሑ ክጅምር እዩ ኢሎም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopian-freight-drivers-stop-transport-service-after-disagreement-with-djibouti-security-forces\/5426475.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ መቐለ ማሕበራዊ ምፍንታት ንምትግባር ኣብ ዝንቀሳቀሱ ፖሊስን መንእሰያት ዘጋጠመ ጎንጺ 1 መንእሰይ ምሟቱ ተሓቢሩ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ 05 ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ተኣኪቦም ዝነብሩ መናእሰይ ንምክልኻል ቫይረስ ኮረና ብምባል ንምብታን ኣብ ዝተገበረ ምንቅስቓስ ጎንፂ ተላዒሉ ሓደ መንእሰይ ብፖሊስ ምቕታሉ ተሓቢሩ’ሎ:: ድምፂ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ናይ ዓይኒመሰኻኽር ህይወት እቲ መንእሰይ ምስሓለፈ ብዝተፈጠረ ጎነፂ ኣብ ልዕሊ ካል ኦት ክልተ መናእሰይ ጉድኣት ከምዝበጽሐ ገሊጾም:: ኣብዚ ጉዳይ ካብ ቤትፅሕፈት ፖሊስ ይኹን ካልኦት ዝምልከቶም መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮ እቲ ከተማ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበርናዮ ተደጋጋሚ ፃዕሪ ኣይሰመረን:: ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%8A%95%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8A%95%E1%89%80%E1%88%B3%E1%89%80%E1%88%B1-%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8C%BA-1-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B1-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5424577.html"} {"headline":"ኤርትራ: መርመራ  ቫይረስ ኮሮና ተጀሚሩ","content":"ኣብ ኤርትራ ዝርግሐ ቫይረስ ኮሮና ንምፍላጥን ምሉእ ስእሊ ንምርካብን ዝዓለመ መስርሕ መርመራ ትማሊ ሰንበት ብ17 ግንቦት ኣብ ኣስመራ ተጀሚሩ።እዚ መርመራ በብመድረኹ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኤርትራ ከምዝቕጽል ዝሓበረ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ሕማም ኮሮና፡ዝቕጽሉ መርመራታት ብውጽኢት ናይ 1ይ መድረኽን ካልኦት ዓለማውን ከባብያውን ክስተታት ከምዝድረኽ ኣፍሊጡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%89%B0%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9\/5424540.html"} {"headline":"ዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃ ኣንቶኒ ጉተረስ ሃገራት ኣብ ምምካት ቫይረስ ኮሮና ስነ ኣእምሮ ዜጋታት ኣብ ግምት ከእትው ጸዊዖም","content":"ኣብ ልዕሊ ሚልዮናት ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ንዝመጸ ፍርሂ፣ ብሕታዊነት፣ ቁጠባዊ ማህሰይቲን ስቃይን ዝስዓበ ስነ አእምሮኣዊ ጭንቀት ንምሕካም ኣገልግሎት ጥዕና ንክዝርጋሕ ሕ\/ሃ ጸዊዑ። ብሕ\/ሃ ዝተነደፈ ‘ኮቪድ 19ን አድላይነት ክንክን ኣእምሮን’ ዝብል ሰነድ ብዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃ ዝተገለጸን ኮሮና ቫይረስ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ንዘስዐቦ ጸገም ዘጉለሀን እዩ። ብመሰረት ዝተካየደ መጽናዕቲ፣ ኣብ ቻይና 60 %፣ ኣብ ኢራንን ኣሜሪካን 45% ጭንቀት ኣብ ሰባት ከምዝተኸሰተ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ንክፍሊ ሕማም ኣእምሮ ትሰርሕ ዲቮራ ከስትል ‘ቅድሚ ሎሚ ብሰንኪ ቁጠባዊ ቅልውላው ተመሳሳሊ ኣእምሮኣዊ ጭንቀት ተፈጢሩ ብዙሓት ሰባት ንርእሰ ቅትለት ከምዝተቃልዑ’ ጠቂሳ። ብመሰረት’ዚ፣ ዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃ ኣብ ዝዘርግሕዎ ሰነድ ፖሊሲ ‘አብ ኩሎም ሕክምናዊ ተግባር፣ ክንክን ጥዕና ኣእምሮን ስነ ኣእምሮን ንክሕቆፍ’ ዝጽውዕ እዩ ኢላ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%8A-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%89%B6%E1%8A%92-%E1%8C%89%E1%89%B0%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8A%AB%E1%89%B5-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%8A%A3%E1%8A%A5%E1%88%9D%E1%88%AE-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%8D%E1%88%9D%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%8A%A5%E1%89%B5%E1%8B%8D-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%96%E1%88%9D\/5420849.html"} {"headline":"ክልል ትግራይ አድላይ ምክልካል ቫይረስ ኮሮና ብምጥቃም ምርጫ ከካይድ ይክእል'ዩ ተባሂሉ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ኣድላዪ መከላኸሊ መንገዲ ቫይረስ ኮሮና ብምጥቃም ናይ ባዕልና ምርጫ ክነካይድ ኢና ክብሉ ምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ\/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣፍሊጦም:: ዶክተር ደብረፅዮን ከምዝገለፅዎ እቲ ምርጫዝካየድ ብሕገመንግስታዊ መንገዲን ቦርድ ምርጫ ዝሳተፈሉ እዩ ኢሎም:: ንሶም ወሲኾም ብደረጃ ፌደራል ድማ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ዘሳተፈ ብዛዕባ ቐፃሊ እታ ሃገር ዝመርሕ መንግስትን ምርጫን ሃገራዊ መድረኽ ዘት ክዳለው ይግባእ ክብሉ ተዛሪቦም:: እቶም ምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ጠሚቱ ንማዕኸናት ዜና እቲ ክልል ንዝሃብዎ መግለጺ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A0%E1%8B%B5%E1%88%8B%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8C%A5%E1%89%83%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B5-%E1%8B%AD%E1%8A%AD%E1%8A%A5%E1%88%8D-%E1%8B%A9-%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%82%E1%88%89\/5420009.html"} {"headline":"ሱዳን ንምምላእ ግድብ ህዳሴ ብዝምልከት ብኢትዮጵያ ዝቐረበ ሓሳብ ነጺጋቶ","content":"ሱዳን ንናይ ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሴ ምምላእ ማይ ብዝምልከት ኢትዮጵያ ንዘቕረረበቶ ሓሳብ ነጺጋቶ። ብዛዕባ’ቲ ፕሮጀክት ብዝምልከት ብኣሜሪካ ዝምራሕ ልዝብ ክትቅጽል ከምትደልይ’ውን ወሲኻ ሓቢራ’ላ። ብመሰረት’ቲ ትማሊ ዝወጸ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ናብ ናይ ኢትዮጵያ መዘነኦም ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝተላእከ ደብዳበ ብዛዕባ ፈላማይ ምምላእ’ቲ ግድብ ብአዲስ አበባ ንዝቀረበ ሓሳብ ሃገሮም ከምዘይትቅበሎ ገሊጾም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%8A%A5-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%88%A8%E1%89%A0-%E1%88%93%E1%88%B3%E1%89%A5-%E1%8A%90%E1%8C%BA%E1%8C%8B%E1%89%B6\/5418356.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ኣብ ልዕሊ 2,650 ሰባት ዝተኻየደ መርመራ ቫይረስ ኮሮና ክልተ ሰባት'ቲ ቫይረስ ከምዝተረኽቦም ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ክልተ ሓደሽቲ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ከምዝተረኽቡ ሚንስትሪ ጥዕና'ታ ሃገር ኣፍሊጡ። ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 2,650 ሰባት ኣብ ዝተኻየደ ምርመራ ክልተ ሰባት እቲ ቫይረስ ከምዝትረኽቦም ተገሊጹ'ሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት 263 ምብጽሑ ተሓቢሩ'ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-2-650-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B0-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%B2-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%A8%E1%8A%BD%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5418330.html"} {"headline":"ሃገራዊ ማሕበር ወለንታዊ ልግሲ ደም ኤርትራ ውሕስነት ቀረብ ደም ኣብ ምውሓስ ተርኡ የበርክት","content":"ሃገራዊ ባንክ ደም ኤርትራ ኣብ ኮለጃት፡ኣብያተ ትምህርትን ትካላትን እናወፈረ ዝእክቦ ዝነበረ ደም ብምክንያት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ደው ብምባሉ፡ቀረብ ደም ንምምላእ ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም እጃሙ የበርክት ከምዘሎ ኣወሃሃዲ ክፍሊ ውዳበን ልግሲ ደምን ናይቲ ማሕበር መንእሰይ ገ\/ዮናስ ንቪኦኤ ተዛሪቡ። ብማሕበር ለገስቲ ደም ተማእኪሎም ዝመጹ ለገስት ብወገኖም ብዝትካእ ደም ዘይትትካእ ሂወት ንምድሓን ደም ብምልጋሶም ፍሉይ ውሽጣዊ ዕግበት ከምዝፈጠረሎም ተዛሪቦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8A%95%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%B2-%E1%8B%B0%E1%88%9D-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%8D%E1%88%95%E1%88%B5%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%88%A8%E1%89%A5-%E1%8B%B0%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%88%B5-%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%8A%A1-%E1%8B%A8%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%8A%AD%E1%89%B5\/5417076.html"} {"headline":"'መንግስቲ ሃገራዊ ምርጫ ክናዋሕ ዘቕረቦ ሓሳባት ኮነ መፍትሒ ዘናድየሉ መንገዲ ቕኑዕ ኣይኮነን'ምትእኽኻብ ንሕብረ-ብሄር ዲሞክራሲያዊ ፈደራሊሲት","content":"ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ምርጫ ምክያድ ከምዘይክኣል ድሕሪ ምውሳኑ ፍታሕ ኣቕሪበ`ለኹ ዝበለ ምትእኽኻብ ንሕብረ-ብሄር ዲሞክራሲያዊ ፈደራሊሲት ዝተሰምየ ሕብረት ዛጊት መንግስቲ ዘቕረቦ አርባዕተ አማራጺ ሓሳባት ኮነ ናብ መፍትሒ ዝኽየደሉ ዘሎ መንገዲ :ትርጉም ሕግን ኣገባብን ኣይኮነን፥ እቲ መፍትሒ ፖሎቲካዊ ፍታሕ ጥራይ'ዩ ክብል ገሊጹ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%AD%E1%8A%93%E1%8B%8B%E1%88%95-%E1%8B%98%E1%89%95%E1%88%A8%E1%89%A6-%E1%88%93%E1%88%B3%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%AE%E1%8A%90-%E1%88%98%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%92-%E1%8B%98%E1%8A%93%E1%8B%B5%E1%8B%A8%E1%88%89-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%89%95%E1%8A%91%E1%8B%95-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8A%AE%E1%8A%90%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%8A%BB%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%89%A5%E1%88%84%E1%88%AD-%E1%8B%B2%E1%88%9E%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%88%B2%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8A%E1%88%B2%E1%89%B5\/5416941.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ:ዕድል ኣብ መዝነት ዘሎ መንግስቲ ዝውስን ሕገ-መንግስታዊ ትርጉም ጀሚራ","content":"​ኢትዮጵያ ሕጂ ኣብ መዝነት ዘሎ መንግስቲ ድሕሪ ወርሒ መስከረም ዝህልዎ ዕድል ዝውስን ሕገ-መንግስታዊ ትርጉም ጀሚራ`ላ። ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኣብ እዋን ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና፥ ምርጫ ከካይድ ከምዘይክእል ብምፍላጥ ነቲ ጉዳይ ናብ ባይቶ ወከልቲ ድሕሪ ምቕራቡ ንሱ ድማ ናብ ቤት-ምኽሪ ፈደረሽን ድሕሪ ምቕራቡ`ዩ ሕጂ ብሕገመንግስታዊ መርማሪ ኣካል ክርኣይ ጀሚሩ`ሎ። ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ሰብ-ሞያ ክጠቕሙ ዝኽእሉ ርእይቶታት ከቕርቡን ህዝቢ`ውን ክፉት ብዝኾነ መስርሕ ክከታተል ጻውዒት ቀሪብሉ`ሎ። እቲ ኣብ ነብስወከፍ ሓሙሽተ ዓመት ዝካየድ ምርጫ ኣብዚ ዓመት`ዚ ክካየድ ዝነበሮ እንተኮነ ብሰንኪ ለበዳ ሕማም ኮሮናቫይረስ ከካይዶ ከምዘይክእል ቦርድ ምርጫ ይገልጽ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%95%E1%8B%B5%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%8B%8D%E1%88%B5%E1%8A%95-%E1%88%95%E1%8C%88-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%89%B5%E1%88%AD%E1%8C%89%E1%88%9D-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%AB\/5416816.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ናብ 261 ክብ ምባሉ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ሎሚ 11 ተወሰኽቲ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ምምዝጋባ ኣፍሊጣ። እዚ ድማ ንቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት ናብ 261 ክብ ኣቢልዎ’ሎ። ካብቶም ሎሚ ዝተፈልጡ 11 እቶም 8 ኣብ ክልል ዓፋር`ዮም። ኩሎም ድማ ምስ ጅቡቲ ዝተተሓሓዘ ናይ ጉዕዞ ታሪኽ ዘለዎም`ዮም። ኣብ ክልል ዓፋር ካብ ጅቡቲ ንዝመጹ ጽኑዕ ክትትል ይግበር ምህላው ናይቲ ከባቢ ሰበ-ስልጣን ይገልጹ። ብዝተሓሓዝ ዜና ኣብ ሰሜን ሸዋ በቲ ቫይረስ ዝተታሕዘ ካልኣይ ሰብ ከምዝተረኽበ ይግለጽ ኣሎ። እቲ ሰብ መንግስቲ ጅቡቲ ብኣስገዳድ ካብ ዝመለሶም ስደተኛታት ሓደ ምዃኑ ተሓቢሩ`ሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኢትዮጵያ ብሸነኽ ክልል ሶማሌ ዘለዋ ዶባት ምክትታል ክተሐይል ሰበ-ስልጣን ፈደራል ኣተሓሳሲቦም። ብምኽትል ሚንስትር ሰላም ወ\/ሮ ፍሬኣለም ሸበባው ዝምራሕ ጉጅለ ኣብ ዶባት ክልል ሶማሌ ዑደት ድሕሪ ምክያድ ኣብቲ ክልል ተወሳኺ ናይ መወሸቢ ቦታታት ክቐውም ኣተሓሳሲቡ`ሎ። ኣብ ክልል ሶማሌ ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም 22 ሰባት ኩሎም ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝኣተዉ ምዃኖም`ውን ተፈሊጡ`ሎ። ምስ ኢትዮጵያ ብሸነኽ ክልል ሶማሌ ዝዳወባ ሃገራት ሶማል: ጅቡትን ኬንያን ልዑል መልከፍቲ`ቲ ቫይረስ ዝተራእየን ሃገራት ምዃነን ይፍለጥ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%89%A5%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%95%E1%8B%99-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-261-%E1%8A%AD%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%89-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5416778.html"} {"headline":"ኣብ ኤርትራ ብቫይረስ ኮሮና ተታሒዞም ካብ ዝነበሩ 39 ሰባት 38 ምሕዋዮም ተገሊጹ","content":"ኣብ ኤርትራ ብቫይረስ ኮሮና ካብ ዝተታሕዙ 39 ሰባት ብዘይካ ሓደ እቶም 38 ኩሎም ሓውዮም ከምዝወጹ ሚንስትሪ ጥዕና’ታ ሃገር ኣፍሊጡ። ብመሰረት`ቲ ሓበሬታ’ቲ ሚንስትሪ እዚ ዝኸውን ዘሎ ሓንቲ ዜጋ ግቡእ ሕክምናዊ ክንክን ክግበረላ ድሕሪ ምጽናሕ ትማሊ ሰኑይ ሓውያ ናብ ስድራቤታ ድሕሪ ምፍናዋ`ዩ። ብወድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 መዓልታት ዝኾነ ሓዲሽ መልከፍቲ ካብ መንጎ ዘይተራእየለን ሃገራት ተባሂላ ዝተጠቕሰት ኤርትራ፥ ሓደ ሕሙም ጥራይ ተሪፉዋ ከምዘሎን በቲ ቫይረስ ዝሞተሰብ ከምዘይብላን ኣፍሊጣ`ላ። ይኹን`ምበር ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣብ ናይ ትማሊ መግለጺኡ እቲ ሓደጋ ጌና ስለዘይጠቐንጠጠ: እዚ ኣወንታዊ ምዕባለታት ከዛንየና ኣይግባእን ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ`ሎ- ። ኤርትራ ዝሓለፈ ሰሙን ገለ ልምዓታዊ ዝተባህሉ ኣብያተ ንግዲ ክኽፈቱ ኣፍቂዳ`ያ- እቲ ኣዋጅ ምዕጻው ወይ ኣብ ገዛ ምጽናሕ ግን- ገና ኣየፍኮሰቶን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%A5%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%92%E1%8B%9E%E1%88%9D-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A9-39-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-38-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%8B%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5416750.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ስግኣት ዕስለ ኣምበጣ ምህላው ተገሊጹ","content":"ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ 22 ወረዳታትን 74 ቁሸታትን ትግራይ ዕስለ ኣምበጣ ኣትዩ ምንባሩ ይፍለጥ። እዚ ብዝተፈላለዩ ኣንፈታት ዝመፅአ ዕስለ ኣምበጣ ከቢድ ጉድኣት ከምዘየስዓበ ኣብ ቢሮ ሕርሻን ገጠር ልምዓትን ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ምክልኻልን ምቁፅፃርን ባልዓት ኣይተ መብራህቶን ገብረኪዳን ገሊጾም። ትምበያ ኣይተ መብራህቶም ከምዝሕብሮ ኣብ ቐረባ ግዜ ሰፊሕ ዕስለ ኣምበጣ ከምዝርአ እዩ። ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%8C%8D%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%8B%95%E1%88%B5%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A0%E1%8C%A3-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5415427.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት 6 ምብጽሑ ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮረና ዝተትሓዙ ሰባት ሽዱሽተ ምብጽሖም ቢሮ ሓለዋ ጥዕና እቲ ክልል ኣፍሊጡ:: እቲ ቤት ጽሕፈት ብተወሳኺ ኩሎም በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ካብ ጅቡቲ ዝመፁ ምዃኖም ሓቢሩ'ሎ:: ትማሊ በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ዝተረጋገፀ ክልተ ሰባት ኮይኖም ኣብ መወሸቢ ማእኸል ዝፀንሑ እዮም:: ካብ ጅቡቲ ዝመፁ ዘወርቲ መኪናን ሓገዝቶምን ንምክልኻል እቲ ቫይረስ ተባሂሉ ቅድሚ ናብ ከተማ መቐለ ምእታዎም ክውሸቡ ይግበር ኣሎ:: እቲ ቫይረስ ናብቲ ክልል ቅድሚ ምእታው እቶም ዘወርትን ሓገዝቶምን ንብረቶም ኣራጊፎም ይውሸቡ ምንባሮም ይፍለጥ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%89%A5%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%88%AD%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%95%E1%8B%99-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-6-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%88%91-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5414917.html"} {"headline":"ተቓወምቲ ፓርቲታት ኢትዮጵያ ንሃገራዊ ምርጫ ብዝምልከት ነናቶም ሓሳባት  ይህቡ ኣለው","content":"ተቓወምቲ ፓርቲታት ኢትዮጵያ ንሃገራዊ ምርጫ ብዝምልከት ነናቶም ሓሳባት ይህቡ ኣለው። ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ(ኢዜማ) ነቲ ሃገራዊ ምርጫ ምንዋሕ ዝብል ዝተፈልየ ሓሳብ ኣቅሪቡ’ሎ። ብዶ\/ር ኣረጋዊ ዝምራሕ ናይ ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ብወገኑ ብመንግስቲ ንዝቀረበ አማራጺ ከምዝቅበልን እቲ ምርጫ ክናዋሕ ኣለዎ ኢሉ ከምዝኣምንን ህውሓት ኣብ ክልል ትግራይ ከካይዶ’የ ንዝበሎ ምርጫ ድማ ካብ ሕጊ ወጻኢ’ዩ ብምባል ኮኑንዎ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%88%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8A%90%E1%8A%93%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%88%93%E1%88%B3%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%88%85%E1%89%A1-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8D\/5417071.html"} {"headline":"ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኤርትራ ሓዲሽ መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና ካብ ዘይተራእየን 5 ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ምዃና ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ኤርትራ ልምዓታዊ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት ካብ ሎሚ 8 ግንቦት ጀሚረን ክኽፈታ ጨንፈር ሕግን ስርዓትን ዞባ ማእከል ኣፍሊጡ'ሎ። እተን ትካላት፡ ድኳናት መለዋወጢ ኣቑሕትን፡ ሻምብቆታት ማይን ከምኡ'ውን ንመካይንን ብሽክለታን ዝምልከታ'የን። ብኻልእ ዜና ፥ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኤርትራ ሓዲሽ መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና ካብ ዘይተራእየን 5 ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ምዃና ኣፍሊጡ። ኤርትራ ንዝሓለፈ 20 መዓልታት ሓዲሽ መልከፍቲ ኣይመዝገበትን። ኣብ ኤርትራ ካብ መንጎ ዝተታሕዙ 39 ሰባት፡ እቶም 37 ሓውዮም ንገዝኦም ከምዝተፋነዉ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣፍሊጡ'ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AB%E1%89%B0-%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%8B%B2-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%90%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%88%88%E1%88%B3-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%89%82%E1%8B%B3\/5412161.html"} {"headline":"ክልል ትግራይ: ቫይረስ ኮሮና ምስ ዝተረኽቦም 4 ሰባት ርክብ ዝነበሮም 56 ሰባት ናብ መወሸቢ ማእከል ምውሳዶም ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ትማሊ ኮረና ቫይረስ ምስ ዝተረኸቦም ኣርባዕተ ሰባት ናይ ቐረባ ርክብ ዝነበሮም 56 ሰባት ተፈልዮም ናብ መወሸቢ ማእኸል ክኣትዉ ከምዝተገበረ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና እቲ ክልል ኣፍሊጡ:: ካብ ጅቡቲ ናብ መቐለ ዝመፁ እዞም ኣርባዕተ ሰባት በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ቅድሚ ምፍላጡ ካብ መወሸቢ ማእኸል እናወፁ ምስ ሰባት ርክብ ከምዝነበሮም ተፈሊጡ:: ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ጎደፋይ ንድምፂ ኣሜሪካ ከምዝገለፅዎ እቶም እቲ ቫይረስ ዝተረኾቦም ሰባት ዝኾነ ዓይነት ምልክት ዘርኣዩ ኣይኮኑን ኢሎም:: No media source currently available ኣብ መወሸቢ ማእኸላት ዝተርኣየ ክፍተት ንምፍታሕ ይስራሕ ምህላውን ካብ ትማሊ ጀሚሩ ድማ ጥቡቕ ክትትል ይግበር ኣሎ ኢሎም:: ብዛዕባ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባትን ምስኦም ርክብ ዝነበሮም ሰባት ኩነታትን ካልኦተ ተተሓሓዚ ጉዳያት ብዝምልከት ዝተዳለወ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%A8%E1%8A%BD%E1%89%A6%E1%88%9D-4-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%AD%E1%8A%AD%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AE%E1%88%9D-56-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%88%E1%88%B8%E1%89%A2-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8B%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5412139.html"} {"headline":"መግለጺ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ሕግን ሕገ መንግስቲን ስርዓትን ወጻኢ ስልጣን ንምጭባጥ ዝፍትኑ ሓይልታት ኣበቲዖም ኣተሓሳሲቦም። መንግስቶም ሃገርን ህዝብን ንምህላው ወሳኒ ስጉምቲ ከምዝወስድ’ውን ኣትሪሮም ኣጠንቂቖም። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ነዚ ዝበሉ ሎሚ ረፋድ ካብ ቤት ጽሕፈቶም ብቴሌቭዥን ኣብ ህጹጽ ኩነታት ሃገርን ፖለቲካን ዝምልከት ዝሃብዎ መግለጺ’ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-\/5410462.html"} {"headline":"ኤርትራ:ወለንታውያን መንእሰያት ዓዲ ቐይሕን ሰንዓፈን ንጽጉማት ሓገዝ ኣበርኪቶም","content":"ወለንታውያን መንእሰያት ከተማታት ዓዲ ቐይሕን ሰንዓፈን ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻልን ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ንዝኾኑ ወገናቶም ኣብምሕጋዝን ዓቢ ኣበርክቶ ይገብሩ ከምዘለዉ ድምጺ ኣሜሪካ ብስልኪ ዘዘራረቦም ኣባላት ተዛሪቦም። እቶም ወለንታውያን ካብ ሰብ ጸጋን ትካላትን ነበርቲ ናይ’ተን ከተማታትን ዝረኸብዎ ሓገዝ ንበተኻት ስድራ-ቤታትን ውልቀሰባትን ናይ መግብን ጽሬትን ሃለኽቲ ነገራት ድጋፍ ገይሮም። ክሳብ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ካብ ኤርትራ ዝጠፍእ ነዚ ናይ ሓገዝ መደብ ከምዝቕጽልዎ እቶም ወለንታውያን መንእሰያት ተዛሪቦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8A%95%E1%89%B3%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%93%E1%8B%B2-%E1%89%90%E1%8B%AD%E1%88%95%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8B%93%E1%8D%88%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8C%BD%E1%8C%89%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%8A%AA%E1%89%B6%E1%88%9D\/5410418.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ንፈለማ ግዜ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ 4 ሰባት ተረኺቦም","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ንፈለማ ግዜ ብቫይረሰ ኮሮና ዝተትሓዙ 4 ሰባት ተረኺቦም:: እቶም 4 ሰባት ካብ ጅቡቲ መፂኦም ኣብ መወሸቢ ማእኸል ዝፀንሑ ምዃኖም’ውን ተገሊጹ’ሎ:: ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ጎድፋይ ሎሚ ድሕሪ ቐትሪ ንቴሌቪዥን እቲ ክልል ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእኸል ተወሺቦም ዝፀንሑ ሰባት ብዝተኻየደ ምርመራ 4 ደቂ ተባዕቲዮ ብቫይረስ ኮረና ከምዝተትሓዙ ሓቢሮም:: እቶም በቲ ቫይረሰ ዝተትሓዙ ሰባት ካብ ጅቡቲ ናብ መቐለ ዝመፅኡ ምዃኖም’ውን ተገሊጹ’ሎ:: እቲ ቫይረስ ከምዝሓዞም ዝተረጋገፀ ሓደ ወዲ 33 ዓመት ዘዋሪ መኪና ብተወሳኺ 28: 25: 24 ዝዕድሚኦም ሰለስተ ሰባት ድማ ሓገዝቲ ዘዋሪ መኪና እዮም:: ዛጊድ ኣብ ክልል ትግራይ ን608 ሰባት ምርመራ ከምዝተኻየደሎም ድማ ሓቢሩ:: ካብቶም ምርመራ ዝተገበረሎም እቶም 268 ሰባት ካብ ጅቡቲ ናብ መቐለ ዝመፁ ኮይኖም እቶም 4 ሰባት ድማ ሎሚ ረቡዕ በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ተረጋጊፁ ኣሎ:: ብተወሳኺ ሚንስትር ሓለዋ ጥዕና ኢትዮጵያ ሎሚ ረቡዕ 25 በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ከምዘለዉ ገሊጹ’ሎ:: ሎሚ ረቡዕ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብተወሳኺ ድማ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ደቡብን በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሓደሽቲ ሰባት ከምዘለዉ ሓቢሮም ኣለው:: እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተረኸበ ምስ ናይ ሚንስትር ጥዕና ዕለታዊ ፀብፃብ ተኻቲቱ ንምንታይ ዘይተገለፀ ንዝብል ካብ ኣመራርሓ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ መልሲ ንምርካብ ብተደጋጋሚ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5410374.html"} {"headline":"ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ቁጽሪ ካብ ቫይረስ ኮሮና ዝሓወዩ ዜጋታት 30 ምብጽሑ ሓቢሩ","content":"ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ፥ ኣርባዕተ ካብ መንጎ`ቶም ኣብ ሆስፒታል ተዓቑቦም ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ ሕሙማት ቫይረስ ኮሮና፥ ኣብ ሃገራዊ ላቦራቶሪ ጥዕና ብዝተገብረሎም መርመራ ካብቲ ሕማም ናጻ ኮይኖም ስለ ዝተረኽቡ ፥ትማሊ 5 ግንቦት ነናብ ቤቶም ተፋንዮም ኢሉ። እቲ ሚንስትሪምስቶም ኣቐዲሞም ብተመሳሳሊ ኣገባብ ዝተፋነዉ 26: ካብቲ ሕማም ሓውዮም ዝተፋነዉ ዜጋታት ብጠቕላላ 30 በጺሖም ኣለዉ ይብል ። ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ብኮሮና ቫይረስ ናይ ዝተለኽፉ ዜጋታት ቁጽሪ 39 ክኸውን ከሎ፥ ገና ዘይሓወዩ- ትሸዓተሰባት ተሪፎም ኣለዉ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%8B%88%E1%8B%A9-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-30-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%88%91-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5408578.html"} {"headline":"ፈፃሚ ስራሕ ህወሓት ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ዝተመደበሉ ጊዜ እንተዘይተኻይዱ ብደረጃ ክልል ምርጫ ከምዘካይድ ኣፍሊጡ","content":"ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ህወሓት ሃገራዊ ምርጫ ኣብ እዋኑ ዘይካየድ እንተኾይኑ ኣብ ክልል ትግራይ ምርጫ ንክካየድ ምድላዋት ክግበሩ ውሳነ ኣሕሊፉ:: እቲ ኮሚቴ ነዚ ዝወሰነ ካብ 23 ክሳብ 25 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም ዘካየዶ ኣኼባ ስዒቡ ዘውፀኦ መግለፂ ከምዝሕብሮ ሃገር ካብ ፀገም ንምውፃእ ብምባል ሃገራዊ መድረኽ ክዳለው ፀዊዑ:: ኣብቲ ጉዳይ ውድብ ብልፅግና ኣብ ዝሃቦ መልሲ ምርጫ ብደረጃ ክልል ምክያድ ዘይሕገመንግስታዊ እዩ ኢሉ:: ምርጫ ቦርድ ብወገኑ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኾነ ከባቢ ዝካየድ ምርጫ ናይ ምምራሕን ምፍፃምን ስልጣን ዝተውሃቦ ነቲ ቦርድ ጥራሕ እዩ ብምባል ገሊፁ:: ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ህወሓት ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ኣብ ክልላውን ሃገራውን ጉዳያት ከምዝዘተየ ኣብ ዘውፀኦ መግለጺ ኣፍሊጡ:: ብውድብ ብልፅግና ሕገ መንግስቲዊ ስርዓት ናይ ምፍራስ ወፍሪ ኣብ መወዳእታ ብርኪ በፂሑ ኣሎ ዝበለ እቲ መግለፂ እዚ ዛዕባ ኣብቲ ኣኼባ ልዑል ጠመተ ተዋሂብሉ እዩ ኢሉ:: እቲ ኮሚቴ ኣብ መግለፂኡ ሕዚ ብመንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ምርጫ ናይ ምንዋሕ ኣከያይዳ ኣይቕበሎን ኢሉ:: \"ውድብ ብልፅግና ካብ ፈለምኡ እውን ምርጫ ንምክያድ ድሌት ስለዘይነበሮ፣ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ብምውሳድ ብሓደ ውልቀመላኺ ዝምራሕ ስርዓት ንምትካል ካብ ሕገ መንግስቲ ወፃእ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝተጀመረ ፃዕሪ ኣሓይሉሩ ቀፂልሉ ኣሎ\" ክብል ህወሓት ኣብ መግለፂኡ ከሲሱ:: ኣብቲ መግለፂ ህወሓት ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ጉዳይ ምርጫ መፍትሒ ሓሳባት ንምቕራብ ተባሂሉ ብመንግስቲ ፌደራል አዳላውነት ዝተኻየደ ዘተ እኹል ምድላው ዘይተገበረሉን ግልፅነት ዘይነበሮን እዩ ኢሉ:: እቲ መድረኽ \"ቀዳማይ ሚንስትር እዛ ሃገር ካብ ሕጊ ወፃኢ ኣብ ስልጣን ንምቕፃል ዘለዎም ግልፂ ድሌት ዘርአይሉ መድረኽ ኮይኑ\" ክብል ገሊጹ:: እቲ መግለፂ: ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ሃገር ብዝፈቕዶ ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባት ብናይ በዓል ዋናነት መንፈስ ዝሳተፍሉ ምርጫ ንምስላጥ ዘኽእል ሃገራዊ መድረኽ ክከየድ ፃውዒት ኣቕሪቡ እዩ:: ብመሰረት ፈደራላዊ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ እቲ ምርጫ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ግምት ብዘእተወ መንገዲ ኣብ ግዚኡ ክካየድ ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ህወሓት ፀዊዑ። እዚ እንተዘይኮይኑ ግና: ብክልል ደረጃ ምርጫ ኣብ እዋኑ ንምክያድ ምድላዋት ከምዝጅምር ኣፍሊጡ። ህወሓት ኣብ መግለፂኡ \"ምስ ህዝቢ ትግራይን ንህዝቢ ትግራይ ዓርሰ ምሕደራ ምሉእ ኣፍልጦ ምስ ዝህቡ ሓይልታት ፖለቲካ ብምዃን ክልላዊ ምርጫ ሓዊሱ እዚ መሰል ህዝብና ካብ ሕምስምስ ንምድሓን ዘኽእሉ ስራሕ ብብርኪ ክልል ንምስራሕ ምድላው ክግበር ወሲኑ ኣሎ\" ኢሉ:: መግለፂ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ህወሓት እዚ ምንቅስቓስ፡ ወፍሪ ፀረ ኮረና ከምኡ እውን ተቐባልነት ዘለዎም መትከላት ሕገ መንግስቲ ብዘማልአ መልክዑ ዝፍፀም ክኸውን ኣለዎ ድማ ኢሉ:: ህወሓት፡ ውድብ ብልጽግና \"ድሕሪ መስከረም 25,2013 ኣብ ስልጣን ከፅንሖ ዝኽእል ዋላ ፀቢብ ዕድል እውን የለን\" ኢሉ:: ስለዝኾነ ድማ፡ እቲ ሕዚ ዝግበር ዘሎ፡ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ኣፍሪስካ ኣብ ስልጣን ናይ ምጽናሕ ተግባር ከምዝኾነ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ:: ኣብዚ ጉዳይ ምላሽ ውድብ ብልፅግና ዝሓተትናዮም ወሃቢ ቃል እቲ ውድብ ኣይተ ኣወሉ ኣብዲ:: ምርጫ ኣብ ግዚኡ ክካየድ ውድቦም ቅዋም ሒዙ እናሰርሐ ምፅንሑ ተዛሪቦም:: ቦርድ ምርጫ እውን ከምብሓዱሽ ተወዲቡ ኣድላዩ ዘበለ ምድላዋት እናተኻየደ ፀኒሑ ኢሎም:: ኣብ ከይዲ ድማ ዓለም ለኻዊ ለበዳ ቫይረስ ኮረና ብምግጣሙ እቲ ምርጫ ንምክያድ ኣፀጋሚ ክኸውን ኪኢሉ ኢሎም:: ልዕሊ ፖለቲካዊ ስልጣን ደሕንነት ህዝቢ ጠመተ ክውሃቦ ስለዝግባእ ድማ ኣብ ምክልኻል እቲ ለበዳ ጠመተ ሂብና ንሰርሕ ኣለና ኢሎም:: እቲ ምርጫ ድማ ሕገ መንግስታዊ ብዝኾነ መንገዲ ንምንዋሕ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም:: ውልቀ መላኺ ስርዓት ንምህናፅ እዩ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ንዝብል ኣይተ ኣወሉ ምላሽ እንትህቡ ከም ውድብ ብልፅግና ዝምልከቶም ኣካላት ብዘካተተ ኣብ ብዴሞክራሲያዊ ዘተ እዩ ውሳነታት ዝውሰን እቲ ዘሎ ከይዲ ድማ ሕጋውነት ዝሓዘ እዩ ብምባል እቲ ክሲ ኣይተቐበልዎን:: ምርጫ ብደረጃ ክልል ምክያድ ድማ ሕጋዊ ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ ምርጫ ከዳልው ዝኽእል ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ እዩ ኢሎም:: ኩሎም ውድባት ዝሳተፍሉ ሃገራዊ መድረኽ ከዳልው ኣሎ ንዝብል ድማ: መንግስቲ ክሳብ ሐዚ እውን ምስ ውድባት ዘተ እናካየደ ፀኒሑ እዩ ሕገ መንግስታዊ መስረት ዘለዎ ዝሓሸ ሓሳብ ኣለኒ ዝብል እንተሃልዩ ድማ በርና ክፉት እዩ ኢሎም:: ኣማኻሪት ርክብ ህዝቢ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ወይዘሪት ሶልያና ሽመልስ ብወገነን ካብ ህወሓት ይኹን መንግስቲ ትግራይ ኣብቲ ክልል ምርጫ ክካየድ ዝሓተተ የለን ኢለን:: ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኾነ ከባቢ ዝካየድ ምርጫ ናይ ምምራሕን ምፍፃምን ስልጣን ዝተውሃቦ ነቲ ቦርድ ጥራሕ እዩ ክብላ ተዛሪበን:: ምርጫ 2012 ኣብ እዋኑ ንምክያድ ኣድላዪ ምድላዋት እናተገበረ ምፅንሑ ዝገለፃ ወይዘሪት ሶልያና ብምኽንያት ኮረና ቫይረስ እቲ ምርጫ ኣብ እዋኑ ምክያድ ኣይተኻኣለን ኢለን:: መንግስቲ ክልል ትግራይ ብዝተፈለየ ኩነታትን ግዘን ምርጫ ክካየድ ይደሊ እየ እንተኢሉ’ቲ ቦርድ ሕቶ ከቕርብ ይኽእል እዩ ክብላ ሓቢረን:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%88%E1%8D%83%E1%88%9A-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%B0%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%8C%8A%E1%8B%9C-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1-%E1%89%A5%E1%8B%B0%E1%88%A8%E1%8C%83-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5406747.html"} {"headline":"ዓበይቲ ፍጻመታት ዓለምን ዝርግሓ ቫይረስ ኮሮና","content":"ደቡብ ኮርያ ፥ ኣብ ሃገራ ፍሉጥ ዝኾነ `በይዝ ቦል` ዝብሃል ዓይነት ስፖርት ናብ ጸወታ ክምለስ ኣፍቂዳ። ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ መዓልቲ 500 ሓደሽቲ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ እተፍልጥ ዝነበረት ደቡብ ኮርያ፥ ሎሚ ሰሉስ 3 ሓደሽቲ ጥራይ ምርካባ’ውን ኣፍሊጣ። ብኻልእ ወገን ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ብርክት ዝበላ ክፍለ-ግዝኣታት፡ ዝተወሰኑ ኣብያተ-ንግዲ ክኽፈታ የፍቅዳ`ለዋ። ደቡብ ኮርያ ንቁጽሪ ዝርግሐ`ቲ ለበዳ ቁልቁል ንምውራድ ጽዑቕ መርመራታትን ካልኦት ከም ብስማርት ኣፕ ዝሕገዙ መሓበሪታትን`ውን ክትጥቀም ጸኒሓ’ያ ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ውድድራት ስፖርት ዓለም ደስኪሉ ኣብ ዝሃለወሉ እዋን፡ ናይ ደቡብ ኮርያ በይዝ ቦል ስፓርት ካብ ዝተመልሱ ቀዳሞት ሓደ ኮይኑ `ሎ። ኣብ ስታድየማት ክጽወት ከሎ ብተሌቪዥን ኣመሪካ`ውን ከም ዝመሓላለፍ ኮይኑ-ዩ- ተዓዛባይ ህዝቢ ግን ዳርጋ ኣይነበረን። ናይ ኣሜሪካ ሃገራዊ በይዝቦል ሊግ ድሕሪ ጽባሕ ሓሙስ ፕሮግራሙ ከፍልጥ መደብ ኣለዎ-ግን ኣብ ለንደንን ኣብ ከተማ ሜክሲኮን ዝነበሮ ፕሮግራም ኣብዚ እዋን ከከይዶ ከምዘይኮነ ገሊጹ’ሎ። ነውዝላንድን ኣውስትራልያን`ውን ተስፋ ዝህብ ምዕባለታት ምንካይ ቫይረስ ኮሮና ይሕብራ`ለዋ- ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት መገሻታት ክኸፍታ`ውን መደባት የውጽኣ`ለዋ። ካልእ ትማሊ ሰኑይ፥ ነቲ ብሕብረት ኣውሮጳ ዝምራሕ ዘሎን ንኮቪድ-19 ክታበት ንምምሃዝን ዝዓለመን- 8 ቢልየን ዶላር ንምውጻእ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ንምድጋፍ ዓለማዊ ምትሕብባር ተራእዩ`ሎ። 40 ሃገራት- ለገስቲ ውድባት ዝርከብአን- ከምኡ`ውን ውልቀሰባት-ገንዘቦም የበርክቱ-ለዉ- $1 ቢልየን ካብ ኮሚሽን ኣውሮጳ - $1 ቢልየን ካብ ኖርወይ፥ $800 ሚልየን ካብ ጃፓን፥ ከምኡ ካብ ፈረንሳ፥ ጀርመንን ስዑዲ ዓረብን ድማ ነፍስወከፈን- $ 500 ሚልየን ዶላር ተአኻኺቡ’ሎ። ውድብ ጥዕና ዓለም ኣንጻር`ቲ ሓደገኛ ቫይረስ ዓለም-ለኻዊ ሓድነት ዘርኢ`ዩ ብምባልነቲ ጻዕሪ ንኢድዎ`ሎ- ። ኣሜሪካ ግን ኣብ`ቲ ወፍሪ ኣይተሳተፈትን። ሓደ ላዕላዋይ በዓል ስልጣን ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ክገልጽ ከሎ፥ ኣሜሪካ ከም ግበረ-መልሲ ኣንጻር ኮቪድ 19፥ ንዓለማዊ-ጥዕና፡ ሰብኣውን ኤኮኖሚያውን ሓገዝ $ 2.4 ቢልዮን ትሕግዝ ኣላ ኢሉ። ብኻልእ ወገን ናብዚ ናብ ኣሜሪካ:ሲዲሲ ማለት ማእከል ምቁጽጻር ተላገብቲ ሕማማት ዝተባህለ መንግስታዊ ትካል ኣመሪካ፥ ክሳብ ወርሒ ሰነ- ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተሓዙ ሰባት በብመዓልቱ ብዕጽፊ እናወሰኸ ክኸይድ`ዩ ክብል ንዘቕረቦ ፖርት፥ ዋይት ሃውስ ብዙሕ ኣይተቐበሎን። ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ጁድ ዲሪ፥ ትማሊ ክትምልስ ከላ፥ እቲ ዝተባህለ፥ ናይ ዋይት ሃውስ ሰነድ ኣይኮነን- ናብ ሓይሊ ዕማም ዋይት ሃውስ ዝቐረበ ሰነድ`ውን ኣይኮነን - ምስ ናትና ኣሃዝን መጽናዕትን`ውን ዝሳነ ኣሃዝ ኣይኮነን ብምባል ኣቃሊላቶ። እቲ ጸብጻብ ሲዲሲ ማለት ማእከል ቁጽጽር ተላገብቲ ሕማማት፥ ንዝቕጽል ኣርባዕተ ሰሙናት ቁጽሪ ሞት፥ መዓልታዊ 3000 ክበጽሕ`ይኽእል`ዩ ዝብል ትንቢት `ዩ ሂቡ ኔሩ። ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ሕጂ ዘሎ ቁጽሪ ሞት ንመዓልቲ 1,750`ዩ። ተመራመርቲ ከም ሓደ ምኽንያት ወሰኽ ሞት ዘቕርብዎ፥ ኣብ`ዛ ሃገር ማዕበራዊ ምፍንታት ስለዝፈኾሰ ዝብል`ዩ። ኣሜሪካ ንሸውዓተ ሰሙናት ነቲ ቫይረስ ክትዋጋ`ያ ትደሊ- ፕረዚደንት ትራምፕ ግን ኣብ ገዛኻ ምዕጻው ዝብል መምርሒኡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ ኣብቂዕዎ`ዩ። ብዙሓት ግዝኣታት ነቲ ዕጽዋ ብምፍኳስ ገለ ኣብያተ-ንግዲ ከምዝኽፈታ ጌረን`የን። ኣመሓዳሪ`ታ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ክፍለ ግዝ ኣት ካሊፎርንያ`ውን- ነቲ ቫይረስ ኣብ ምዕጋት ጽቡቕ ገስጊስና ኢና ብምባል-ካብ ዝመጽእ`ዚ ዓርቢ ጀሚሩ- ድሕነቱ ዝሓለወ ምኽፋት ድኳናት ከምዝግበር ኣፍሊጡ`ሎ። ባይቶ ኣሜሪካ፥ ንምላሽ`ቲ ቅልውላው ተወሳኺ ስጉምቲ ኣብ ዝሓስበሉ ዘሎ እዋን፥ መራሕቲ ደሞክራቲክ ፓርቲ፡ ኣባላት ምምሕዳር ዋይት ሃውስ ኣብ ቅድሚ ባይቶ ቀሪቦም ምስክርነቶም ከይህቡ- ዋይት ሃውስ ይኽልክሎም ኣሎ ክብሉ ይቃወሙ`ለዉ። ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ናንሲ ፐሎሲ ንመደበር ቴሌቭዥን ሲ-አን-አን ክትዛረብ ከላ፥ ተወሳኺ ገንዘብ ንኽምድብ ካብቲ ምምሕዳር ተወሳኺ መብርሂ ንደሊ ኣለና ኢላ። ኣብ ሰነት መራሒ ውሑዳን ፓርቲ ሻክ ሹመር`ውን፥ ትራምፕ ዝገብሮ ዘሎ ንጥዕናውን ኤኮኖሚያውን ቅልውላው ዘናውሕ ጥራይ`ዩ ክብል ነቒፉ። ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ዛጊት ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ልዕሊ ሓደ ሚልየንን ሓደ ሚእቲ ሽሕን ዝሞቱ ድማ ከባቢ 70 ሺሕ በጺሖም ኣለዉ። ኣብ ዙርያ ዓለም- ቁጽሪ ዝተታሕዙ- 3.6 ሚልየን- ዝሞቱ ልዕሊ 250 ሺሕተመዝጊቡ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%89%A0%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%8D%8D%E1%8C%BB%E1%88%98%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%88%93-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-\/5406715.html"} {"headline":"ፕረ. ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ የካይዱ ኣለው","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ትማሊ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክልቲኣውን ዞባውን ምዕባለታት ኣተኩሮም ከምዝዝተዩ ካብ ክልቲኦም ወገናት ዝመጹ ሓበሬታታት ኣመልኪቶም። ፕረዚደንት ፈደራላዊት ደሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ ወ\/ሮ ሳህለወርቅ ዘውደ ንፕረዚደንት ኤርትራ ኣብ ቤተመንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ናይ ምሳሕ እንግዶት ዝገበራሎም ክኾና ኸለዋ፥ ኣብቲ ግብዣ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዝነበረ ሃይለማርያም ደሳለኝን ፕረዚደንት ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳን`ውን ተረኺቦም ኔሮም። ክልቲኦም መራሕቲ ካብ ዝዘራረብሉ ዛዕባታት ሓደ ምክልኻል ኮቪድ-19 ከምዝኸውን ሚንስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ ጠቒሱ ኔሩ። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብትዊተር ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ ድማ፥ ክልቲኣውን ዞባውን ጉዳያት ከምኡ`ውን ብዛዕባ ኣብዚ እዋን ንማሕበረሰብ ዓለም ኣጋጢምዋ ዘሎ ብድሆታት ክንዘራረብ ኢና ኢሉ ኔሩ። ክልቲኦም መራሕቲ ትማል ሰንበት ገለ ከባብታት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝዕዘብሉ ዝነበሩ እዋን ንምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ተባሂሉ ዝግበር መሸፈኒ ገጽ ኣይገበሩን ኔሮም-ሎሚ ሰኑይ ኣብ ሓደ ከባቢ ኦሮሚያ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን ግን መሸፈኒ ጌሮም ተራእዮም ኔሮም። ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣስጋኢ እናኾነ ካብ ዝመጽእ ንደሓር፥ ቀ\/ሚ ኣቢይ ንመራሒ ወጻኢ ሃገር ተቐቢሉ ከዘራርብ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናይ መጀመርያ`ዩ-ምናልባት`ውን ፕረዚደንት ኢሳያስ ድሕሪ ምምጻእ`ዚ ለበዳ ኣብ ዓለም ናብ ካልእ ሃገር ዝገሸ ቀዳማይ መርሒ`ዩ ዝብሉ ሓበሬታታት ኣለዉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8B%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8D-\/5404899.html"} {"headline":"ኣብ ሶማል ብዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ሶማልያ ከባቢ ባይደዋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም። እታ ብሓደ ዘይመንግስታዊ ትካል ዝተመወለት ነፋሪት ናይ ሕክምና መሳርሕታትን ናይ ጣንጡ ላምስያታት ጽዒና ምንባራ'ዩ ይግለጽ’ሎ። እታ ነፋሪት ክትወድቕ ከላ ኣብ ባይደዋ ዝመዓስከሮም ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብቲ ኸባቢ እንተነበሩ'ኳ ካብኣቶም ኾነ ካብ ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተረኽበ ሓበሬታ የለን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B-%E1%8A%90%E1%8D%8B%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%88%BD%E1%8B%B1%E1%88%BD%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/5404856.html"} {"headline":"ኣብ ሞዛቢንክ ካብ ኣብ ዝተዓጽወ ኮንቴነር ዝተረፉ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ምምላሶም ተገሊጹ","content":"ኣህጉራዊ ውድብ ማይግረሽን ኣብ ኮንተይነር ተዓጽዮም ንዝነበሩ 11ኢትዮጵያዋይን ኣብ ምድሓን ከምዝሓገዘ ኣፍሊጡ። እቶም ኢትዮጵያውያን ኣብ ዶብ ማላውን ሞዛምቢክን ብዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ሰባት ኣብ ኮንተይነር ተዓጽዮም ከምዝተረኽቡ እቲ ትካል ይጠቅስ። እቲ ናይ ህይወት ምድሓን ስራሕን ብመንግስታት ኢትዮጵያን ፣ ሞዛምቢክን ዝተወሃሃደ ምንባሩ`ውን ሓቢሩ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9E%E1%8B%9B%E1%89%A2%E1%8A%95%E1%8A%AD-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8C%BD%E1%8B%88-%E1%8A%AE%E1%8A%95%E1%89%B4%E1%8A%90%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%A8%E1%8D%89-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5404834.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት 133 ምብጽሑ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ አብ’ዘን ዝሓለፋ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 912 ሰባት ድሕሪ ዝተካየደ መርመራ 2 ሰባት ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኽቦም ተሓቢሩ’ሎ። ብመሰረት’ዚ አብ ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ዝሓዞም ሰባት ብዝሖም 133 ከምዝበጽሐ ሚኒስትር ጥዕና’ታ ሃገር ኣፍሊጡ ኣሎ። እቶም ኮሮና ቫይረስ ዝተረኸቦም ክልተ ሰባት፣ እቲ ሓደ ካብ ኬንያ ዝሰገረ ወዲ 25 ዓመት፣ እቲ ካልኣይ ካብ ፑንትላንድ ዝመጸ ወዲ 20 ዓመት ከምዝኾኑን ኣብ መወሸቢ ማእከላት ከምዝርከቡ’ቲ ሚንስትሪ ወሲኹ ሓቢሩ ሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ብሓፈሽኡ 18,754 ሰባት ምርመራ ኮሮና ቫይረስ ተገይሩሎም ኣሎ ። እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ኣብ እዋን ኮረና ቫይረስ ድሕነት ሰራሕተኛታት ንምርግጋጽ ዘሕግዝ ‘ኮቪድ 19ን ናይ ስራሕ ስፍራን ዝብል ስሉሳዊ ፕሮቶኮል’ ይትግበር ከምዘሎ ሚንስትሪ ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ ገሊጹ። ሚንስትር ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኤርጎጌ ተስፋዬ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ ‘ውሕስና ስራሕ ዜጋታት ንምሕላው ኣብ’ዚ ክፉእ ጊዜ ካብ ስራሕ ንከይባረሩ ተበግሶታት ከምዘለው’ ጠቂሰን። ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ኣብ መንቀራቅሮ ኣትዮም ዘለው ኢትዮጵያዊያን አብ ዘዘለውዎ ኮይኖም ሓገዝ ክረኽቡ ምድላው ይሳለጥ ከምዘሎ እተን ሚንስትር ገሊጸን ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%89%A5%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%95%E1%8B%99-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-133-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%88%91-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5401479.html"} {"headline":"ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ መጻኢ ምርጫ ዝምልከት መፍትሂ ሓሳብ ክቕረብ ሓቲቱ","content":"ሎሚ ሓሙስ ንስሩዕ ዋዕልኡ ዘሰላሰለ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ቦርድ ምርጫ’ታ ሃገር ብዛዕባ እቲ ሎም ዘበን ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ዝነበረ ምርጫ ኣመልኪቱ ንዘቅረቦ ኣጀንዳ ተዘራሪብ’ሎ። ብመሰረት’ዚ፣ እቲ ቤት ምኽሪ ምርጫ ኣመልኪቱ ናይ መፍትሒ ሓሳብ ንከቅርብ እቲ አጀንዳ ናብ ኮሚቴ ሕጊ፣ ፍትሒን ምምሕዳርን ከምዝላኣኾ ተሓቢሩ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8B%88%E1%8A%A8%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%98%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%82-%E1%88%93%E1%88%B3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%89%95%E1%88%A8%E1%89%A5-%E1%88%93%E1%89%B2%E1%89%B1\/5399807.html"} {"headline":"ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዝወቅዐ ዝናብ ዝሰዓበ ውሕጅ ንኣስታት 6,000 ህዝቢ ተጸባዪ ረድኤት ከምዝገበሮ እቲ ክልል ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ሃንደበት ብሰንኪ ዝወቅዐ ዝናብ ዝሰዓበ ውሕጅ ንኣስታት 6,000 ህዝቢ ተጸባዪ ህጹጽ ረድኤት ከምዝገበሮ እቲ ክልል ኣፍሊጡ። ምክትል ኮምሽነር ኮምሽን ሓደጋን ድልውነትን እቲ ክልል ኣቶ ኣበራ ዊላ ‘መንቀሊ’ቲ ጥፍኣት ጉድለት ሕማቅ ኣተሓሕዛ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲን ንጹር ፖሊሲ ኣጠቃቅማ መሬት ዘይምህላውን’ዩ’ ኢሎም። ኣብ’ዚ ጊዜ’ዚ ዝወቅዐ እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ፣ ከቢድ ጉድኣት ምውራዱን ብሕልፊ ኣብ ደቡብ ኦሞን ጋሞን ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከምዘስዓበን፣ እቶም በዓል ስልጣን ገሊጾም። ኣብ ዞባ ሃላባ፣ ስልጤን ሃድያን ተመሳሳሊ ሓደጋ ተፈጥሮ ከምዝስዓቡን ዝገለጸ እቲ ዜና ረድኤት ንምልጋስ መባእታዊ ዳህሳስ ቀጺሉ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%89%85%E1%8B%90-%E1%8B%9D%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%B0%E1%8B%93%E1%89%A0-%E1%8B%8D%E1%88%95%E1%8C%85-%E1%8A%95%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-6-000-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%89%B0%E1%8C%B8%E1%89%A3%E1%8B%AA-%E1%88%A8%E1%8B%B5%E1%8A%A4%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%88%AE-%E1%8A%A5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5399783.html"} {"headline":"ነበርቲ ኣስመራ ቀረብ ማይ ካብቲ ዘለዎ ንላዕሊ ክውስኽ ሓቲቶም","content":"ቀረብ ዝስተ ማይ ካብ’ቲ ዝነበሮ እንተተመሓያሸ’ኳ ከምቲ ዝድለ እኹል ማይ ይረኽቡ ከምዘየለዉ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ኣስመራ ተዛሪቦም። ምስ ምቕልቃል ሕማም ኮቪድ 19 ጽሬት ኣእዳዎምን ከባቢኦም ንምሕላው ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝየዳ ማይ ስለዘድልዮም፡ ክፍሊ ማይ ብስሩዕ ሰሙናዊ ማይ ክዕድሎም እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ሓቲቶም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%89%80%E1%88%A8%E1%89%A5-%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8A%AB%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8E-%E1%8A%95%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8A%AD%E1%8B%8D%E1%88%B5%E1%8A%BD-%E1%88%93%E1%89%B2%E1%89%B6%E1%88%9D\/5399763.html"} {"headline":"ህውሓት ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተመደበሉ ጊዜ እንተዘይተኻየዱ ኣብ ክልል ትግራይ ምርጫ ከምዘካይድ ይገልጽ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ውድብ ህወሓት ኣብ መፅሄት ወይን ብዛዕባ ምርጫ ዘውፀኦ መርገፂ ዳግም እቲ ፅሑፍ ኣብ ወግዓዊ ፌስቡክ ገፅ እቲ ውድብ ኣብዚ ሰሙን ስለዝተጠቅዐ መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ ኣሎ:: ኣብቲ ዝወፀ ፅሑፍ ቅዋም ህወሓት ምርጫ ኣብ እዋኑ ክካየድ ከምዘለዎ እዩ:: ብምኽንያት ኣብዚ ሃገር ዝተፈጠረ ፀገም ምርጫ ክናዋሕ የብሉን: ዝበለ እቲ መርገፂ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ፀገም ኮይና እውን ምርጫ ኣካይዳ እያ ብምባል ቅድሚ 20 ዓመት ኣብ 1992 ዝተኻየደ ምርጫ የዘኻኽር:: ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ፅዑቕ ኵናት ኣብ ዝነበራሉ እዋን: ብተወሳኺ ድማ ኣብ ውሽጢ ኣመራርሓ ኢህወደግ ብዛዕባ ኩለመዳያዊ ኣካይዳ ክትዕ ኣብ ዝነበረሉን ሕገመንግስታዊ ስርዓት ንከይጠሓስ ምርጫ ከምዝተኻየደ ኣዘንቲዩ:: ኣብዚ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ምርጫ ኣብ እዋኑ ክካየድ ከምዘለዎ ዘተሓሳሰበ እቲ ቅዋም ህወሓት: ብደረጃ ሃገር ምርጫ እንተዘይተኻይዱ ድማ ካብ መወዳእታ መስከረም 2013 ጀሚሩ ኣብ ትግራይ እውን ሕጋዊ ቅቡልነት ዘይብሉ መንግስቲ ስለዝህሉ ብምባል ብደረጃ ክልል ትግራይ ምርጫ ክካየድ ኣለዎ ይብል:: እቲ ምርጫ ብምክያድ ሙሉእ መንግስታዊ ቅርፂ ዘለዋ (ዴፋክቶ ስቴት) ኮይና ትግራይ ትቕፅለሉ ኣንፈት እዩ እቲ ውድብ ኣብ ፅሑፉ ዘነፀረ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ተተሊሙ ዝነበረ ምርጫ ብምኽንያት ለበዳ ቫይረስ ኮረና በቲ ዝተትሓዘሉ እዋን ንምክያድ ከምዝፅገም ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣፍሊጡ እዩ:: ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶ ካብ ዝሓተትናዮም ውድባት ሓደ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ ባይቶና እዩ:: ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኣይተ ኪዳነ ኣመነ ውድቦም እቲ ምርጫ ብደረጃ ሃገር ኣብ እዋኑ ክካየድ ኣለዎ ዝብል መርገፂ ከምዘለዎ ብምሕባር እንተዘይተኻይዱ ግና ኣብ ትግራይ ሕጋዊ ቅቡልነት መንግስቲ ምእንተ ክህሉ ብደረጃ ትግራይ እቲ ምርጫ ክካየድ ከምዘለዎ ኣቐዲሙ እውን ኣፍሊጡ ነይሩ ኢሎም:: ኣይተ ኪዳነ እቲ ምርጫ ብደረጃ ትግራይ ንምክያድ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ግና ንምክልኻል ሕማም ኮረና ተባሂሉ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ኣብ ዘለሉ: ብተወሳኺ ድማ እቲ ናይ ምርጫ ክካየድ ኣለዎ ዝበሃለሉ ግዘ ድማ ሓፂር ምስ ምኻኑ ግልፅን ፍትሓውን ምርጫ ምክያድ ይከኣል’ዶ ዝብል ከምዘተሓሳስቦም ተዛሪቦም:: ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ዓረና ንልኣላውነትን ዴሞክራሲን ኣይተ ዓምዶም ገብረስላሴ ብወገኖም ውድቦም ልዕሊ ኹሉ ንጥዕናን ደሕንትን ዜጋታት ዝሓስብ እዩ ኢሎም: ጉዳይ ምርጫ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ምስ ወዓለ ናብ ጠረጴዛ ቐሪብኻ ብዘተ ክፍታሕ ይኽእል እዩ ኢሎም:: ሓደ ክልል ምርጫ ከሰናድእ ይኽእል እዩ ዝብል ብሕጊ ዝተቐመጠ የለን ክብሉ ተዛሪቦም:: ድሕሪ መስከረም 2013 ሕጋዊ ቅቡልነት ዘይብሉ መንግስቲ ዝመፅእ ዋላ እንተኾነ ልዕሊ ድሕንነት ዜጋታት ኣይኸውንን ኢሎም:: ለበዳ ቫይረስ ኮረና ንህዝቢ ስግኣት ኣብ ዘይኮነሉ ደረጃ ምስ በፅሐ ድማ ኩሎም ውድባት ፖለቲካ ዘካተተ ድርድር ብምክያድ ዝፍታሕ ክብሉ ሓቢሮም:: ኣብዚ ጉዳይ ኣብ ውድብ ብልፅግና ትግራይ ርእይቶንምርካብ ንሓላፊ ቤት ፅሕፈት እቲ ውድብ ኣይተ ነብዩ ስሑልሚኬኤል ሓቲትናዮም \"ወግዓዊ ዝኾነ መግለፂ ክሳብ ብህወሓት ዘይተውሃበሉ ምላሽ ክንህብ ኣይንኽእልን\" ኢሎም:: ኣብ ናይ ውልቀኦም ፌስቡክ ገፅ ግና ብደረጃ ክልል ምርጫ ምክያድ ሕገ መንግስቲ ምጥሓስ እዩ ዝብል ፅሑፍ ጠቂዖም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%B0%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%8C%8A%E1%8B%9C-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B1-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B5-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%BD\/5398046.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ካብ ዝተገብረሎም 766 ሰባት 4 በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ካብ ዝተመርመሩ 766: ኣርባዕተ ሰባት ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኽቦም ይግለጽ ኣሎ። ካብ መንጎ`ቶም ዝተረኽቦም ደቂ-15, 18ን 25 ዓመት ዕድመ ካብ ፑንትላንድ ዝኣተውን ኣብ ጂጂጋ ተወሺቦም ዝጸንሑ ምዃኖም ሚንስተር ጥዕና ዶ\/ር ሊያ ታደሰ ሓቢረን። ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ቫይረስ ኮሮና ዝሓወዩ-58 ምብጽሖም`ውን ይግለጽ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ደቡባዊ ወሎ ድማ መንእሰያት ኣንጻር ቫይረስ ኮሮና ወፍሪ ጀሚሮም ኣለዉ። ልዕሊ 19 መንእሰያት`ዮም ኣብ ምቅላስ ቫይረስ ኮርኖ ንምሕጋዝ ኣብ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ተዋፊሮም ኣለዉ። ብምኽንያት ፋሲካን ጾም ሮመዳንን ድማ ንጽጉማት ከምዝሓገዙ ተሓቢሩ`ሎ። ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ድማ መርመራ ቫይረስ ኮሮና ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ-እቲ ላቦራቶሪ ኣብ መዓልቲ 500 ሰባት ክምርምር ከምዝኽእል ተሓቢሩ`ሎ- ኣብ ኢትዮጵያ ሕጂ 23 መመርመሪ ቫይረስ ኮሮና ላቦራቶሪታት ከምዘለዋ`ውን ተሓቢሩ`ሎ። ​","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%8E%E1%88%9D-766-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-4-%E1%89%A0%E1%89%B2-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%88%93%E1%8B%9E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5397747.html"} {"headline":"ኣብ ኤርትራ 6 ተወሰኽቲ ሰባት ካብ ኮሮናቫይረስ ሓውዮም","content":"ብመሰረት መግለጺ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ እቶም ሽዱሽተ ተወሰኽቲ ሰባት ናጻ ዝተባህሉ-ውጽኢት ናይ ሃገራዊ ላቦራቶሪ መርመርኦም ትማሊ ሰንበት ምስ ተፈልጠ`ዩ። ሕጂ ኣብ ኤርትራ ብኮሮናቫይረስ ካብ ዝተታሕዙ 39 ሰባት እቶም 19 ሓውዮም ናጻ ከምዝተባህሉ ጸብጻብ`ቲ ሚንስትሪ የመልክት- ኣብዚ ዳሕራዋይ መግለጺ ብዛዕባ ሞት ኣይተዛረበን- ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ግን ዝሞተ ሰብ ከምዘየለ ሓቢሩ ኔሩ`ዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-6-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%BD%E1%89%B2-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%88%93%E1%8B%8D%E1%8B%AE%E1%88%9D\/5397678.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣቶ ብርሃነ ገብርሂወት(2ይ ክፋል)","content":"ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ፥ ብውሕዱ 50 ኤርትራውያን ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተታሕዙን ሓደ ከምዝሞተን፥ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝካየድ ናይ ምክልኻል ጻዕሪ ንምድጋፍ ድማ ኣብ ኮሮና ጥራይ ዛጊድ $3.8 ሚልዮን ዶላር ከምዝተዋጽአን ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣቶ ብርሃነ ገብርሂወት ንድምጺ ኣሜሪካ ምሕባሩ ይፍለጥ። ብዛዕባ ተሳትፎ ዝተፈለየ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኤርትራውያንን፥ እቲ ዝተዋጽአ ገንዘብ ኣብ ሃገር ኣብ ከመይ ዝበለ መዓላ ከምዝውዕል እኹል ሓበሬታ ዝውሃብ እንተኾይኑን ካልእ ሕቶታትን ዝምልከት ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣቶ ብርሃነ ገብርሂወት​ መልሲ ሂቡ'ሎ። No media source currently available ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።​ No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8D%88%E1%8C%BB%E1%88%9A-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8B%E1%88%BA%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%89%B0%E1%8A%95-%E1%8B%B2%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%83%E1%8A%90-%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%82%E1%8B%88%E1%89%B5(2%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%8D%8B%E1%88%8D)\/5396142.html"} {"headline":"ንጥፈታት ዩኒቨርስቲ ዓዲ ግራት ኣብ ምክልኻል ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና","content":"ኣብ ዩኒቨርስቲ ዓዲ ግራት ክፍሊ ትምህርቲ ሓለዋ ጥዕና ሕብረተሰብ መምህርን ተመራማርን ኣባል ኮማንድ ፖስት ዘባ ምብራቅ መምህር ዜናዊ ሓጎስ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ኣብ ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ዘካይዶ ዘሎ ምንቅስቃስ መብርሂ ሂቦም ኣለው። መምህር ዜናዊ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝኣወጆ ኣዋጅ ንተግባራውነቱ ዝግበር ዘሎ ፃዕርን ዝምልከት ዝሃብዎ መብርሂ ከምኡ’ውን ርእይቶ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዓዲ ግራት ተወሺቦም ዝርከቡ ውልቀ ሰባት ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%8C%A5%E1%8D%88%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%89%A8%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8B%93%E1%8B%B2-%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%88%88%E1%89%A0%E1%8B%B3-%E1%88%95%E1%88%9B%E1%88%9D-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93\/5394450.html"} {"headline":"ኣብ ኤርትራ ብቫይረስ ኮሮና ተታሒዞም ዝነበሩ 13 ሰባት ምሉእ ንምሉእ ምሕዋዮም ተገሊጹ","content":"ኣብ ኤርትራ ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም ዝነበሩ ክልተ ተወሰኽቲ ሰባት ምሉእ ንምሉእ ከምዝሓወዩ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣፍሊጡ። እቶም ሰባት ናይ ላቦራቶሪ መርመራኦም ምስ ተራእየ፡ ናጻ ከም ዝተባህሉ`ውን ወሲኹ ሓቢሩ'ሎ። ብመሰረት ሓበሬታ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሻባይትኣብ ኤርትራ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ 39 ክኾኑ ኸለዉ ካብኣቶም 13 ምሉእ ንምሉእ ሓውዮም ናጻ ከምዝተባህሉን ዛጊት በቲ ብኮሮና ቫይረስ ዝሞተ ሰብ ከምዘየለን ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣፍሊጡ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%A5%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%92%E1%8B%9E%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A9-13-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%89%E1%8A%A5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%89%E1%8A%A5-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%8B%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5394345.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረ.ትራምፕ ዝገበሮ ናይ ስልኪ ዝርርብ ኣብ ጉዳይ ቫይረስ ኮሮና ዘተኾረ ምንባሩ ተሓቢሩ","content":"ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝገበሮ ናይ ስልኪ ዝርርብ ኣብ ለበዳ ሕማም ኮሮና ዘተኮረ ከምዝነበረ፥ ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀ\/ ሚ ቢልለኔ ስዩም ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢራ። እቲ ብፕረዚደንት ትራምፕ ዝተሰምዐ ቨንቲለተራት ማለት መተንፈሲ መሳርሒታት፥ መጠን ብዝሑን መኣስ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣቱን ግን ኣይተፈልጠን ኢላ። ኢትዮጵያ 473 ቨንቲለተራት ከምዘለዉዋ ዝሓበረት ቢልለኔ ስዩም ተወሰኽቲ 1,500 ከምዘድልይዋ`ውን ሓቢራ`ላ። ብኻልእ ወገን ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ\/ር ሊያ ታደሰ እዚ ብኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ክውሃብ ቃል ዝተኣትወ መተንፈሲ መሳርሕታት ኣብ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ልዑል ኣበርኽቶ ክህልዎ'ዩ ኢላ። ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ብቪድዮ ዝተዛረበት ወይዘሮ ሊያ፡ኢትዮጵያ ነቲ ቫይረስ ኣብ ምክልኻል ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ምምልማልን ምስልጣንን ብዕቱብ ትሰርሕ ኣላ ኢላ። ፕረዚደንት ትራምፕ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ብስልኪ ከምዝተደዋወሉን ንኢትዮጵያ ምሕጋዙ ከምዝቕጽል፥ ካብ መንጎ’ቲ ዝህቦ ሓገዝ ድማ መተንፈሲ መሳርሕታት ከምዝኸውን ምንጋሩ ሓቢሩ ኔሩ'ዩ። ብኻልእ ወገን ቁጠባዊ ኩነታት ኢትዮጵያ በቲ ምዕጻው ኣጸጋሚ ከምዝገበሮ ዝገለጸት ሚንስተር ጥዕና ኢትዮጵያ፡ ቀስ ብቐስ ምኽፋት ከምዝጅምር ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢራ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%88%9D%E1%8D%95-%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%88%AE-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8A%AA-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%88%AD%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8B%98%E1%89%B0%E1%8A%BE%E1%88%A8-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5394337.html"} {"headline":"“ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ንዝናብርኦም ዜጋታት ምሕጋዝ ናይ ኩሉ ሓላፍነት’ዩ” ነበርቲ ኣስመራ","content":"ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ብ1 ሚያዝያ ዝወጸ’ ኩሉ ሰብ ኣብ ቤቱ ክጸንሕ ዘገድድ’ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ምንዋሕ ንድሕነት ህዝቢ ተባሂሉ ዝተወስደ ስጉምቲ ብምዃኑ ንተግባራውነቱ ክምዝሰርሑ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርት ኣስመራ ተዛሪቦም ።ብ”ምኽንያት ምንዋሕ ናይ’ቲ ኣዋጅ ንዝህሰዩ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝናብርኦም ዜጋታት ምሕጋዝ ናይ ኩሉ ሓላፍናት እዩ” ክብሉ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ተዛሪቦም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%8B%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%8A%93%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8C%8B%E1%8B%9D-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A9%E1%88%89-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8B%A9-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB\/5391150.html"} {"headline":"ክልል ትግራይ፥ ዝርግሓ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ተዓጽዮም ዝነበሩ ገለ ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት ከምዝኽፈቱ ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ንምክልኻል ቫይረስ ኮረና ተባሂሉ ብኣዋጅ ክዕፀዉ ተገይሮም ዝነበሩ ዝተወሰኑ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ክኽፈቱ ኮማንድ ፖስት ምክልኻል እቲ ለበዳ ወሲኑ:: ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ወረዳ እውን ካብ ቦታ ናብ ምንቅስቓስ ዝተፈቐደ ኮይኑ ዝበዝሑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ናብ ስራሕ ክምለሱ ተወሲኑ:: እቲ ውሳነ ካብ ፅባሕ ቀዳም ተግባራዊ ከምዝኸውን ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓቢሮም:: ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ\/ር ደብረፅዮን ገ\/ሚካኤል ትማሊ ንዝተወሰኑ ማዕኸናት ዜና እቲ ክልል ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ: ኣብቲ ክልል ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ብምእዋጅ እቲ ቫይረስ ዘለዎ ኩነታት ንምዕዛብ ኣኽኢሉ እዩ ኢሎም:: ብዝተኻየደ ዳህሳስን ምርመራን ድማ ኣብ ትግራይ ክሳብ ሕዚ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ዘይምህላዉ ተረዲእና ኢና ኢሎም:: ብመሰረት እዚ ኣብ ትግራይ ንምክልኻል እቲ ቫይረስ ድሕሪ ሐዚ ኣብ ውሽጢ እቲ’ቲ ናይ ምክትታል ስራሕ ተሰሪሑ’ዩ: ካብቲ ክልል ወፃኢ ንዝመፅኡ እዩ እቲ ልዑል ጠመተ ዝግበር ኢሎም:: እቲ ቫይረስ ኣብ ትግራይ ክሳብ ሐዚ ዋላ እተዘይኣተወ ብቐፃሊ ክኣቱ ዝኽእለሉ ልዑል ዕድል እዩ ዘሎሞ ጥንቃቐ ክገብር ይግባእ ኢሎም፡፡ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝተፈላለዩ ትካላት ንግዲ ምዕፃዎም ስዒቡ ኣብቲ ክልል ናህሪ ዕዳጋ ከጋጥም ከምዝኸኣለ ዶክተር ደብረፅዮን ተዛሪቦም:: ዝተወሰኑ ትካላት ንክኽፈቱ ኮማንድ ፖስት ምክልኻል ኮረና ቫይረስ ምውሳኑ ገሊፆም:: ብመስረት እዚ እንዳቡን፣ እንዳካፌ፣ መመላኽዒ ፀጉሪ ደቂ ተባዕትዮን ኣንስትዮ ክኽፈት ተወሲኑ ኢሎም:: ካልእ ድማ እንዳስዋ ተጠቀምቲ ዓዲጎም ናብ ገዘኦም ክወስዱ ኣልኮላዊ መስተ ዝከፋፍሉ ኣብ መኽዚን ዝሓዝወን ጥራሕ ክሸጡ ከምዝተወሰነ ሓቢሮም:: ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምጓዓዝ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ወረዳ ክንቀሳቀሱ ከምዝተወሰነ ዶ\/ር ደብረፅዮን ኣፍሊጦም፡፡ እዚ ብፍላይ ቐፃሊ ክራማት ንዝካየድ ስራሕ ሕርሻ ንምቅልጣፍ ተሓሲቡ እዩ ኢሎም:: ዝበዝሑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብዘይካ ፀገም ጥዕና ዘለዎም ናብ ስሩዕ ስራሕ ክምለሱ ተወሲኑ እዩ:: እቶም ዝተፈቀደሎም ኣገልግሎት ወሃብቲ መከላኸሊ ኮሮና ቫይረስ ክጥቀሙን ኣካላዊ ምርሕሓቕ ብዘለዎ ኣገልግሎት ክህቡ ከምዘለዎም ድማ ዶ\/ር ደብረፅዮን ኣተሓሳሲቦም:: እቶም ምምሕያሽ ዝተገበረሎም ውሳነታት ካብ ፅባሕ ቀዳም ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ኢሎም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%88%93-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8C%BD%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A9-%E1%8C%88%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%BD%E1%8D%88%E1%89%B1-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5391084.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ 117 ምብጽሑ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ዳህሳስ ገዛ ገዛ ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ንልዕሊ ሰለስተ ሚሊዮን ስድራ ከምዝሸፈነ ሚንስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።እቲ ዳህሳስ ዝርግሐ ናይቲ ቫይረስ ንምርዳእ ዘኽእል እዩ ኢለን።ናይቲ ቫይረስ ምልክት ዝተርኣዮም ኣስታት 427 ሰባት ከምዝተፈለዩ እውን ወሲኸን ገሊፀን። ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ 117 ዝበፅሐ ክኸውን ከሎ ሰለስተ ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%89%A5%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%95%E1%8B%99-117-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%88%91-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5391073.html"} {"headline":"ሓረስቶት ክልል ትግራይ ብምኽንያት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ፍርያቶም ናብ ዕዳጋ ከቕርቡ ብዘይምኻኣሉ ይገልጹ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ብምኽንያት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፡ ሓረስቶት ፍርያቶም ናብ ዕዳጋ ከቕርቡ ብዘይምኻኣሉን ይፅገሙ ከምዘለዉ ይገልጹ`ለዉ:: ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ንድምጺ ኣሜሪካ ርእይቶ ዝሃቡ ኣብ ልምዓት መስኖ ዝተዋፈሩ ሓረስቶት ፍርያቶም፡ ብምኽንያት ንምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ዝወፀ ኣዋጅ ናብ ዕዳጋ ከቕርቡ ብዘይምኽኣሎም ምህርቶም ተበላሽዩ ኣብ ግራቶም ከምዝተረፈ ገሊፆም:: ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ክልል ትግራይ ብወገኑ ሓረስቶት ዘፍረይዎ ናብ ዕዳጋ ብሕብረት ስራሕ ማሕበራትን ሕጋውያን ነጋዶን ኣቢሉ ክቐርብ ይስራሕ ኣሎ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%89%B6%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%88%88%E1%89%A0%E1%8B%B3-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%AB%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8B%95%E1%8B%B3%E1%8C%8B-%E1%8A%A8%E1%89%95%E1%88%AD%E1%89%A1-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%8A%BB%E1%8A%A3%E1%88%89-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B9\/5388981.html"} {"headline":"ኤርትራ: ሰባት ኣብ ገዝኦም ክጸንሑ ዝወጽአ ናይ ህጹጽ ድንጋገ ኣዋጅ ጸኒዑ ከምዝቕጽል ተገሊጹ","content":"መንግስቲ ኤርትራ ብ 1 ሚያዝያ ዘውጾኦን ን21 መዓልታት ጸኒዑ ዝጸንሐን ሰባት ኣብ ገዝኦም ክጸንሑ ዘገድድ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ፡ ብዘለዎ ጸኒዑ ክቕጽል ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ሎሚ ኣፍሊጡ’ሎ።ምስ ኩነተት ናይ ኤርትራን ሓደገኛነት ናይ’ቲ ሕማምን ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ናይ ምክልካል ስትራቴጂ ቀንድ ኣማራጺ ከምዝኾነ ብምእማን እቲ ኣዋጅ ጸኒዑ ክቕጽል ከምዝተወሰነ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ኣፍሊጡ’ሎ። እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ሰለስተ ካብቶም ሕሙማት ኮሮና ቫይረስ ሙሉእ ብሙሉእ ብምሕዋዮም ናብ ቤቶም ከምዝተፋነዉ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሓቢሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%88%E1%8B%9D%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%91-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%8C%BD%E1%8A%A0-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%85%E1%8C%B9%E1%8C%BD-%E1%8B%B5%E1%8A%95%E1%8C%8B%E1%8C%88-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%8C%85-%E1%8C%B8%E1%8A%92%E1%8B%91-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%95%E1%8C%BD%E1%88%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5387019.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዘ 1 ውልቀሰብ ምርኻቡ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ንመጀመሪያ ግዜ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሓዘ ውልቀሰብ ምርካቡ ስዒቡ ህዝቢ ብዝተረጋግአ ነቲ መስርሕ ክሕግዝ ናይቲ ክልል መንግስቲ ፃውዒት ኣቕሪቡ። ኣብቲ ክልል ናይ ምክልኻል ስራሕ ሓይሉምቕፃሉ ሰበስልጣን እቲ ክልል ገሊፆም። ሚ\/ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ እቲ ናይ ዓፋር ሓዊሱ ብደረጃ ሃገር ሎሚ ክልተ ሓደሽቲ ከምዝተመዝገቡ ገሊፀን ኣለዋ።ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ 116 በፂሑ ኣሎ።ዛጊድ ሰለስተ ሰባት ህይወቶም ስኢኖም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD-%E1%89%A5%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%95%E1%8B%98-1-%E1%8B%8D%E1%88%8D%E1%89%80%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%BB%E1%89%A1-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5386975.html"} {"headline":"ኣክሱም: ካብ መወሸቢ ማእከል ክሃድም ዝፈተነ ውልቀሰብ ናይ 6 ወርሒ ማእሰርቲ ተፈሪዱ","content":"ኣብ ከተማ ኣክሱም ካብ መወሸቢ ማእኸል ከምልጥ ዝፈተነ ውልቀ ሰብ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ማእሰርቲ ክቕፃዕ ቤት ፍርዲ እታ ከተማ ወሲኑ:: መንግስቲ ክልል ትግራይ ካብ ወፃኢ ሃገራት ይኹን ካብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ናብቲ ክልል ዝኣትዉ ተጓዓዝቲ ን14 መዓልታት ክውሸቡ ምውሳኑ ስዒቡ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናብ ከተማ ኣክሱም ዝተጓዓዘ እዚ ውልቀሰብ ናይታ ከተማ መወሸቢ ማእኸል ድሕሪ ምጽንሑ’ዩ ከምልጥ ኣብ ዝፈተነሉ ዝተታሕዘ:: ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብታ ከተማ ካብ ዝኣቱ ሓሙሽተ መዓልታት ዘቑጸረ እዚ ውልቀሰብ ዝሓለፈ ቀዳም ካብ መወሸቢ ማእኸል ከምልጥ ኣብ ዝፈተነሉ ብሓይልታት ፀጥታ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ምውዓሉ ከንቲባ ከተማ ኣክሱም ኣይተ ኤልያስ ካሕሳይ ንድምፂ ኣሜሪካ ተዛሪቦም:: ሎሚ ረቡዕ ኣብ ቤት ፍርዲ ከተማ ኣክሱም እቲ ውልቀሰብ ኣብ ዝውዓል መጋባእያ ብ6 ወርሒ ማእሰርቲ ክቕፃዕ ወሲኑ ኢሎም:: እዚ ተግባር ውልቃውነት ዝዓብለሎን ንህዝቢ እንኮላይ ንስድራ ዘይምሕሳብ ዘርኢ እዩ ክብሉ እቶም ከንቲባ ገሊፆም:: እዚ ተግባር ዝፈፀመ ውልቀሰብ ኩነታት ጥዕንኡ ክፃረን ብተወሳኺ ድማ ናይ ጉዕዞ ታሪኹ ዳግም ክረአ እውን ምምሕዳር እታ ከተማ ኣንፈት ከምዘነፀረ ኣይተ ኤልያስ ሓቢሮም:: ለበዳ ቫይረስ ኮረና ንምክልኻል መንግስቲ ክልል ትግራይ ብዘውፀኦ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ካብ ዝኾነ ይኹን ከባቢ ናብቲ ክልል ዝኣቱ ሰብ ን14 መዓልታት ክውሸብ ይእዝዝ:: ዛጊድ ኣብ 15 መወሸቢ ማእኸላት 2130 ሰባት ከምዝተወሸቡ ካብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%8A%AD%E1%88%B1%E1%88%9D-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%88%E1%88%B8%E1%89%A2-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8D-%E1%8A%AD%E1%88%83%E1%8B%B5%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8D%88%E1%89%B0%E1%8A%90-%E1%8B%8D%E1%88%8D%E1%89%80%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-6-%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%88%92-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%AA%E1%8B%B1\/5384201.html"} {"headline":"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ናይ ገዛ መኻይን በብተራ ጥራይ ክንቀሳቐሳ ዝእዝዝ መምርሒ ውጺኡ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ናይ ገዛ መኻይን በብተራ ጥራይ ክንቀሳቐሳ ዝእዝዝ መምርሒ ኣውጺኡ። ብመሰረት`ቲ መምርሒ ኣብ ምክልኻል ኮቪድ 19 መታን ክሕግዝ፥ ናይ ሰሌዳ ቁጽረን ብጎደሎ ዝውድእ ሎሚ፥ ብምሉእ ቁጽሪ ዝውድእ ድማ ጽባሕ እናበላ ክንቀሳቐሳ ተፈቒዱለን ኣሎ። ብኻልእ ወገን ድማ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ ኣብ ዝንቀሳቐሳ ኣውቶቡሳት`ውን ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ናይ ምንካይ ለውጢ ከምዝተገብረ ተፈሊጡ`ሎ። ብኻልእ ዜና ካብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ከምዝመጸን ካብ መወሸቢ ቦታ ከምዝሃደመን ዝዛረብ ሰብ ኣብ ደቡብ ወሎ ከባቢ ሃርቡ ኢዱ ንፖሊስ ከምዝሃበ ይግለጽ ኣሎ። እቲ ውልቀሰብ ኣብ መወሸቢ ቦታ ምጽንሑ ዘረጋግጽ መረዳእታ ከምዘይተረኽበ ግን ቤት ጽሕፈት ሓለዋ ጥዕና`ቲ ዞባ ይገልጽ። እቲ ውልቀሰብ ካብ መወሸቢ ቦታ ሃዲሙ ኣብቲ ኸባቢ ተሓቢኡ`ሎ ዝብል ዜና ንብዙሓት ሰባት ፍርሕን ስንባደን ኣስዒቡ ከምዝነበረ` ንምፍላጥ ተኻኢሉ`ሎ። ነበርቲ ከተማ ባህርዳር ድማ ህዝቢ ኣብ ምትግባር መምርሕታት ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ብዙሕ ይተርፎ`ሎ ኢሎም-። ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝነበረ በዓል ፋሲካ፡ ገለ ሓጹራት ምስተላዕለ ህዝቢ ዘርኣዮ ምንቅስቓሳት ንዕኡ ዘመስክር`ዩ ዝበሉ ነበርቲ ባህርዳር- ካልኦት ድማ ነቲ ዘሎ ክፍተት ንምምላእ መንግስቲ ኣስተምህሮታት ክጽዕቕ ይግባእ ኢሎም። ኣብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ከተማ ድሬዳዋ ድማ ክልተ ሰባት ካብ ኮሮናቫይረስ ሓውዮም ናብ ገዝኦም ተፋንዮም- ካልኦት ሰለስተ ድማ ዝተታሕዙ ተረኺቦም- እቶም ዝተረኽቦም ሰለስተ ሰባት ካብ ጅቡቲ ተመሊሶም ኣብ መወሸቢ ቦታ ዝጸንሑ`ዮም፥ ካብ ጅቡቲ ተመሊሶም ኣብ መወሸቢ ቦታ ዝርከቡ 574 ሰባት ውጽኢት መርመራ ይጽበዩ ምህላዎም’ውን ተፈሊጡ’ሎ። ካብ ጅቡቲ ብዘይሕጊ ዝሰግሩ ንምቁጽጻር ኣጸጋሚ ኮይኑ ከምዘለዉ`ውን ክፍሊ ጥዕና ድሬዳዋ ወሲኹ ኣፍሊጡ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A3-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8C%88%E1%8B%9B-%E1%88%98%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%89%A0%E1%89%A5%E1%89%B0%E1%88%AB-%E1%8C%A5%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%8A%95%E1%89%80%E1%88%B3%E1%89%90%E1%88%B3-%E1%8B%9D%E1%8A%A5%E1%8B%9D%E1%8B%9D-%E1%88%98%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%92-%E1%8B%8D%E1%8C%BA%E1%8A%A1\/5382479.html"} {"headline":"ኣብ ኤርትራ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ናብ 39 ክብ ምባሉ ተገሊጹ","content":"ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣርባዕተ ተወሰኽቲ ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ምትሓዞም ኣፍሊጡ። እቶም ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት ብዝተገብረ መርመራታት ዝተረኽቡ ክኾኑ ኸለዉ-ቁጽሪ ኣብ መላእ’ታ ሃገር ዝተመዝገቡ ናብ 39 ደይቡ`ሎ። ብኻልእ ወገን ካብ መንጎ ብኮሮና ተታሒዞም ዝነበሩ ሰባት -ሰለስተ ድማ ምሉእ ንምሉእ ሓውዮም ናብ ገዝኦም ከምዝተፋነዉ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣፍሊጡ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%89%A5%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%95%E1%8B%99-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-39-%E1%8A%AD%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%89-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5382464.html"} {"headline":"መልእኽቲ ፕረ.ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና","content":"ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘለናዮ ፈታኒ እዋን ብልዑል ንቕሓትን ሓያል ስራሕን መኪትና ክንሰግሮ ግድነታዊ ሓላፍነት`ዩ ኢሉ። ብዛዕባ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንመጀመርያ ግዜ ዝተዛረበ ፕረዚደንት ኢሳያስ፥ ዝሓለፈ ቀዳም ብተለቪዥን ኤርትራ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ \"ሕማም ኮሮና ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ብኹሉ መለክዒታቱ ዘይተገመተን ትጽቢት ዘይተገብረሉን ሃንደበታዊ ኩናት`ዩ\" ክብል ገሊጽዎ። ኣተሓሒዙ ለበዳ ኮሮና ኣተኩሮና ክዘርገና ከሰንፈናን ከልምሰናን የብሉን ድሕሪ ምባል ተተሓሒዝናዮ ዝጸናሕና ናይ ልምዓት መደባት ብዓጸፋ ክነሐይሎን ክንሰርሕን ኢና ብምባል ርሑስ ፋሲካን ሮሞዳንን ተመንዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%89%B2-%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%88%E1%89%A0%E1%8B%B3-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93\/5382448.html"} {"headline":"ዳዊት ገረዝግሄር ኣብ ውግእ ጸረ ኮሮና ቫይረስ ዝውዕል 25 ሚልዮን ቅርሺ ለጊሱ","content":"ኣቶ ዳዊት ገረዚግሄር ኣብ ውግእ ጸረ ኮሮና ቫይረስ (ኮቪድ 19) ናይ ገዛእ ርእሰይ ኣበርክቶ ክህልወኒ ይግባእ ካብ ዝብል ተበግሶ 25 ሚልዮን ቅርሺ ንክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ከምዝለገሰ ኣፍሊጡ። ቅድሚ ሎሚ ንክልላዊ መንግስቲ ትግራይ 'ምምሕዳራዊ ኣበሩ በዚሑ እናበለ' ብበሊሕ ይነቅፍ ዝነበረ ኣቶ ዳዊት አብ'ዚ 'ቁርጺ እዋን' ኢሉ ዝጠቀሶ ህሞት ውገእ ኣብ ልዕሊ ኮቪድ 19 ምትሕብባር ኣገዳሲ ከምዝኾነ ይዛረብ። ብዘይካ'ዚ ኣገድስቲ መሳርሕታት መመርመሪ ኮሮና ቫይረስ ካብ ቻይናን ኣሜሪካን ናብ ትግራይ ንምእታው ይሰርሕ ከምዘሎ ካብ ደሴት ጂቡቲ ኮይኑ ኣብ ዝሃበና ቃለ ምልልስ ጠቂሱ። ስለምንታይ ናብ'ታ ደሴት ከምዝኣተወ ሓቲትናዮ 'ሪዞርት' ይሃንጽ ኣለኹ ኢሉና። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/dawit-gebrezgiabher-philanthropist-businessman-coronavirus-covid-19-tigray-ethiopia\/5380790.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ መቐለ ብኣመንቲ ሃይማኖት ክርስትና በዓል ዓርቢ ስቅለት ብስግዳንን ፀሎትን ተከቢሩ","content":"ኣብ ከተማ መቐለ ብኣመንቲ ሃይማኖት ክርስትና በዓል ዓርቢ ስቅለት ብስግዳንን ፀሎትን ተከቢሩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብኣመንቲ ሃይማኖት ክርስትና ብስግዳንን ፀሎት ዝኽበር ዓርቢ ስቅለት ብምክንያት ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮኑ ኣማስይኡ እኳ ብርክት ዝበለ ህዝቢ እንተመፅአ ሙሉእ መዓልቲ ዝውዓለ ህዝቢ ግን ውሑድ እዩ። ትርጉም ዓርቢ ስቅለት ንምርዳእ ኣብ ቤት ክርስትያን ደብረ መድሃኒት ኣብየዝጊ ቁዱስ ክርስቶስ ኣርሴማ ስብከተ ወንጌል መጋቢ አእላፍ መምህር ተኣምራት ታደሰ ኣዛራሪብናዮም ኣለና ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%B2-%E1%88%83%E1%8B%AD%E1%88%9B%E1%8A%96%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8A%93-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%88%AD%E1%89%A2-%E1%88%B5%E1%89%85%E1%88%88%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%B5%E1%8C%8D%E1%8B%B3%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8D%80%E1%88%8E%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8A%A8%E1%89%A2%E1%88%A9\/5377115.html"} {"headline":"ክልል ትግራይ ንምክልኻል ቫይረስ ኮረና ዝተጀመረ ዳህሳስ ገዛ ንገዛ ተዛዚሙ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ንምክልኻል ቫይረስ ኮረና ዝተጀመረ ዳህሳስ ገዛ ንገዛ ትማሊ ተዛዚሙ:: ብመሰረት እቲ ዳህሳስ ኣብ መላእ ትግራይ 33 በቲ ቫይረስ ዝተጠርጠሩ ተፈልዮም ኣለው ክብል ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ'ሎ:: ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ጎድፋይ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ: ካብ ሶኑይ 05 ሚያዝያ ጀሚሩ ንተኸታታሊ ኣርባዕተ መዓልታት ንምክልኻል ቫይረስ ኮረና ገዛ ንገዛ ዳህሳሳ ብምክያድ ትማሊ 08 ሚያዝያ 2012 ከምዝተዛዘመ ተዛሪቦም:: ዶክተር ሓጎስ ሕብረተሰብ ኣብቲ ለበዳ ዘለዎ ግንዛበ እንታይ ከምዝመስል ዝረኣየሉ፣ ኣብ ነፍስወከፍ ስድራ መከላኸሊ ናውቲ ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ዝረጋገፀሉን እዩ ነይሩ ክብሉ ገሊፆም:: በቲ ዳህሳስ ብቫይረስ ኮሮና 33 ጥርጡራት ከምዝተረኸቡ ድማ ሓቢሮም:: ዶክተር ሓጎስ ኣብ መግለፂኦም ኣብቲ ዳህሳስ ቅድሚ 10 ዓመት ብዝተኻየደ ቆፀራ ህዝቢ መሰረት 1.3 ሚልዮን መራሕቲ ስድራ ክካተቱ ተመዲቡ እንተነበረ ኮይኑ ግና ኣብ 1,550 ,000 መራሕቲ ስድራ ዳህሳስ ከምዝተኻየደ እቶም ሓላፊ ገሊፆም:: እቲ ዳህሳስ ንፈለማ እዋን ዝተኻየድን ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ ኣብ ከይዲ ኣፈፃፅምኡ ክፍተታት ኣለዎ ኢሎም ከምዝኣምኑ ዝገለፁ ዶክተር ሓጎስ ጎድፋይ: ኣብ ትግራይ እቲ ሕማም ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘለዎ ኩነታትን ንቐፃሊ ከመይ ስራሕቲ ክካየድ ከምዝግባእ ንምፍላጥ ዝሓገዘ እዩ ኢሎም:: ዶክተር ሓጎስ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታትን ወፃኢ ሃገራትን ናብ ትግራይ ዝኣትዉ ኣጋይሽ ን14 መዓልታት ክውሸቡ ብመሰረት ዝተወሰነ ይስራሕ ኣሎ ክብሉ ተዛሪቦም:: ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ ምስ ስድራ በዓል ንምኽባር ጉዕዞ ናብ ትግራይ ከካይዱ ዝተለሙ ሰባት እቲ በዓል ኣብ መወሸቢ ማእኸል ከምዘብዕልዎ ተረዲኦም ኣብ ዘለዉዎ ክፀንሑ ዶክተር ሓጎስ ሓቲቶም:: ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ጎድፋይብቐፃሊ ንለበዳ ቫይረስ ኮረና ዝተቓልዑን ካብተን ኣዐርየን ዝተጠቕዓ ሃገራት ናብ ትግራይ ዝኣተዉ: ናይ ነዊሕ ጉዕዞ ዘወርቲ መኪና: ኒሞንያ ዝተረኸቦም፣ ኣብ ልዑል ክትትል ሕክምና ዝርከቡ ሕሙማትን ኣብ ሃንደበታዊ ክፍሊ ዝሰርሑ ሰብ ሞያ ጥዕናን ቐዳምነት ተዋሂብዎም ምርመራ ክካየደሎም እዩ ኢሎም :: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%A8%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%80%E1%88%98%E1%88%A8-%E1%8B%B3%E1%88%85%E1%88%B3%E1%88%B5-%E1%8C%88%E1%8B%9B-%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%9B-%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%99\/5377086.html"} {"headline":"መወሸቢ ይኹን መመርመሪ ቫይረስኮሮና ከተማ ባህርዳር ብምሉእ ዓቕሙ ይሰርሕ ከምዘየለ ሰብ ሞያ ሕክምና ገሊፆም","content":"ኣብ ዋና ከተማ ክልል ኣምሓራ ባህርዳር ዝርከብ መወሸቢ ይኹን መመርመሪ ቫይረስ ኮሮና መሳርሒ ብምሉእ ዓቕሙ ይሰርሕ ከምዘየለ ሰብ ሞያ ሕክምና ገሊፆም። ብተወሳኺ ሰብሞያ ጥዕና ንርእሶም ዝከላኸልሉ ናውትን ካልኦት ቀረባትን ብእኹል ኣይቐርብን ዘሎ ኢሎም። ናይ ክልል ኣምሓራ ኢንስቲቲዩት ሕብረተሰብ ሳይንስ ናይ ቫይረስ ኮሮና መመርመሪ መሳርሒ ብሰንኪ ፅበት ቦታ ብምሉእ ዓቕሙ ይሰርሕ ከምዘየለ ገሊፁ ኣሎ። ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ናይቲ ክልል ዶክተር መልካሙ ኣብቴ እቲ ፀገም ኣብ ከይዲ ክፍታሕ እዩ ኢሎም ኣለው።እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ከተማ ጎንደር ምርመራ ኮሮና ቫይረስ ምጅማሩ ተሓቢሩ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%AD%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%88%E1%88%B8%E1%89%A2-%E1%8B%AD%E1%8A%B9%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%88%98%E1%88%AD%E1%88%98%E1%88%AA-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%88%89%E1%8A%A5-%E1%8B%93%E1%89%95%E1%88%99-%E1%8B%AD%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%A8%E1%88%88-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%9E%E1%8B%AB-%E1%88%95%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%8A%93-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8D%86%E1%88%9D\/5376776.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት 92 በጺሑ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 401 ሰባት መርመራ ቫይረስ ኮሮና ተኻይዱ ካብኣቶም ሸውዓተ’ቲ ቫይረስ ከምዝተረኽቦም ተሓቢሩ።በዚ መሰረት ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ 92 በጺሑ`ሎ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከባ ዩኒቨርሲታት ጎንደርን ደብረ-ማርቆስን መሳርሕታት ጽሬት ከፍርያ ከለዋ ካልኦት ድማ ኣብ ምክልኻል ዝጠቅም መርመራታት የካይዳ`ለዋ ከም ከምዘለዋ ተሓቢሩ። ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣባላት ጉጅለ ባህልን ትያትርን ግንዛበ ቫይረስ ኮሮና ንምጭባጥ ምስ መራሕቲ ሃይማኖትን ምምሕዳራትን ብምርኻብ እቲ ሕብረተሰብ ብመንግስቲ ንዝተሓላለፉ ዘለዉ ምኽርታት ክሰምዕ ኣተሓሳሲቦም። ብፍላይ ምስ ፋሲካ ብዝተሓሓዝ፥ ጥረ ስጋ ካብ ምምጋብ ክቑጠቡ`ውን ኣተሓሳሲቦም። ህዝቢ ሕጂ`ውን ኣብ ኮሮናቫይረስ ዘለዎ ግንዛበ ትሑት ምዃኑ ዝገለጹ እቶም ኣባላት፥ ጥዕናና ንምሕላው መንግስቲ ዘቐመጦም መምርሕታት ክትግበር ግድን`ዩ ይብሉ። ኣብ ደቡባዊ ክልል ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ መጓዓዝያ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ምምሕያሽ ተገይርሉ- እንተኾነ ሕጂ`ውን ህዝቢ ንኮቪድ 19 ከይቃላዕ ዝተወሃሃደ ቁጽጽርን ክትትልን ከምዝግበር ምኽትል ኣመሓዳሪ ደቡብ ኣቶ ርስቱ ይርዳው ኣፍሊጡ። ጽባሕ ኣብ ዝኽበር ዓርቢ ስቕለት`ውን ህዝቢ ተረሓሒቑ ክሰግድ ኣዘኻኺሩ`ሎ። ንበዓል ፍሲካ ኣሳቢቦም ዋጋ ኣብ ልዕሊ ዝወሰኹን ናይ ቀረባት ጸገም ኣብ ልዕሊ ዝፈጠሩን ሰባት ድማ ተሪር ስጉምቲ ይውሰድ ከምዘሎ ንሰበ-ስልጣን ዝጠቐሰ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ኣዋሳ ሓቢሩ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%89%A5%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%95%E1%8B%99-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-92-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%88%91-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5375133.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ናብ ክብ 82 ምባሉ ተሓቢሩ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ ሸሞንተ ሰባት ብ ቫይረስ ኮሮና ምትሓዞም ሚንስትሪ ጥዕናን ኢንስቲትዩት ማሕበረሰብ ጥዕናን ኢትዮጵያ ኣፍሊጦም።ኣብ ውሽጢ 24 ስዓታት ምርመራ ካብዝተገበረሎም 447ሰባት 8 ሰባት እቲ ቫይረስ ተረኺቡዎም ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ናብ 82 ደይቡ ኣሎ። እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሓሙሽተ ኢትዮጵያዊያን፣ሓደ ኤርትራዊ፣ሓደ ሶማልያዊያን ካልእ ሓደ ድማ ኢንግሊዛዊ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ 53 ተወሺቦም ክንክን ይግበረሎም ዘለው 14 ዝሓወዩ 3 ድማ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ተመዝጊቦም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%89%A5%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%95%E1%8B%99-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%89%A5-82-%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%89-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5371809.html"} {"headline":"ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዘርከቡ ኣባላታ ንምክልኻል ሕማም ቫይረስ ኮሮና ክሕግዙ ትጽውዕ","content":"ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዘርከቡ ኣባላታ ንምክልኻል ሕማም ቫይረስ ኮሮና ክሕግዙ ትጽውዕ። ኣብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ከም ፋፃሚ ስራሕ ኮይኖም ዝሰርሑ ዘለዉ ኣይተ ተስፋይ ገብረእግዝኣብሄር ንለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ኣባላቶም ዕዙዝ ኣበርክቶ ይገብሩ ከምዘለዉ ሓቢሮም። ኣይተ ተስፋይ ኣብ ሙሉእ ዓለም ንዝርከቡ ኣባላቶም ብምልዕዓል ገንዘብ ብምትእክኻብ ዘድልይ ናውቲ መከላከሊ ኮሮና ንምምላእ ይሰርሑ ከምዘለዉ ይዛረቡ። ምስ ኣይተ ተስፋይ ዝተኻየደ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ምስማዕ ይከኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%88%8D%E1%88%9D%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%99%E1%88%89%E1%8A%A5-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%8B%98%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B3-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%88%95%E1%88%9B%E1%88%9D-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8A%AD%E1%88%95%E1%8C%8D%E1%8B%99-%E1%89%B5%E1%8C%BD%E1%8B%8D%E1%8B%95\/5370614.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ እገዳ ኮቪድ-19 ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ገዛውተን ክሓርሳ ይግደዳ ከምዘለዋ ተሓቢሩ","content":"ሓላፊ ኣብ ኣዳማ \/ናዝሬት\/ ዝመደበሩ ማእኸል መዋልዳን Marie Stopes International ቀኔሳ ኩመራ ብሕርሲ ዝተታሓዛ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ብፅሑልና ናይ ስልኪ ደወል ከስምዓ መዓልታዊ ፍፃመ ኮይኑ ኣሎ። ቀኔሳ ኢትዮጵያ ንምስፍሕፋሕ ኮሮናቫይረስ ደው ንምባል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቡቕ ናይ ጉዕዞ እገዳ ኣብ ግብሪ ምስ ኣውዐለት ኣብቲ ማእኸል መዋልዳን ክበፅሓ ዘይኽእላ መዓልታዊ 10 ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ስልኪ ከምዝድውላ ይገልፅ ። እቲ ፀገም ኣገልግሎት ኣምቡላንስ ኣብዘይብሉ ድኻ ከባቢታት ዝዓበየ ከምዝኸውን ይዛረብ። ‘’ሎሚ ንጉሆ’’ ይብል ንሱ ‘’ሓንቲ ኣምቡላንስ ደሊያ ደዊላ።ቅድሚ ሎሚ ክልተ ግዜ ብሓገዝ መጥባሕቲ ዝተገላገለት ብምኳና ሎሚ እውን ንሳልሳይ መጥባሕቲ ቆፀሮ ነይሩዋ።መጎዓዚያ ስለዘየለ ኣምቡላንስ ሓቲታ።ብቕልጡፍ ልኢኽናላ ንሳልሳይ ግዜ ብመጥባሕቲ ሓሪሳ ኣላ’’ ክብል ገሊፁ። ንሱ ብምውሳኽ ተመሳሳሊ ዕድል ዘይረኽባ ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ብዘይካ ሓገዝ ሕክምና ኣብ ገዛውተን ይሓርሳ ንዘለዋ ስኽፍትኡ ይገልፅ።ኣብ ጥዕንአን ፀገመ ከምዘጋጥመን እውን ዘጠራጥር ኣይኮነን ይብል ። ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ፓርላማ ኢትዮጵያ ሰበስልጣን ንምንቅስቓስ ሰባት ዝኽልክል ስልጣን ዝህብ ሃገርለኸ ህፁፅ ግዜ ኣዊጁ ኣሎ።ድሮ ኣብያተ ትምህርቲ፣ መዘናግዒ ባራት፣ኣብያተ መግቢ፣ስነ ጽባቐ ጸጉሪን ዝኣመሰሉን ተዓፅዮም ኣለው። ክልላት ኦሮሚያ፣ኣምሓራ፣ሃረሪን ትግራይን ንምስፍሕፋሕ ናይቲ ቫይረስ ንምክልኻል ናይ ህዝቢ መጎዓዚያ ከልኪለን ኣለዋ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/covid-19-ethiopia-restrictions\/5370109.html"} {"headline":"ዝርዝር ሕጊ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ኢትዮጵያ ምውፅኡ ተፈሊጡ","content":"ብመሰረት ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ኢትዮጵ ትካላት ኣፍረይቲ መሰረታዊ ቀረባት ስርሖም ደው ምባልን ዕንቅፋት ምፍጣርን ዝተኸልክለ ምዃኑ ዋና ዓቃቢት ሕጊ ኢትዮጵያ ኣፍሊጠን።ምስ ኮሮናቫይረስ ብዝተኣሳሰረ ሓበሬታ ኣብ ምዝርጋሕ ሓዱሽ ናይ ኮምኒኬሽን ስርዓት ከምዝዝርጋሕ እውን ተሓቢሩ ኣሎ። ዋና ዓቃቢት ሕጊ ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ብፓርላማ ኢትዮጵያ ዝፀደቐ ኣዋጅ ህፁጽ ግዜ ዘፈፅም ስርዓት ብዝርዝር ኣረዲኣን ኣለዋ።እቲ መምርሒ ከልካሊ ፣ግዴታ ዘቐምጡ፣ ሓላፍነት ዘቐምጡን ዝተፈላለዩ ሕግታት ዝብሉ ኣርባዕተ ክፋላት ዝሓዘ እዩ። እቲ ፈላማይ ዝኾነ ይኹን ሰብ ወይ ኣካል ክገብሮ ዘይብሉን ዘለዎን ይዝርዝር።እቲ ኻልኣይ ነቲ ዝተባህለ ዘይፍፅም ብሕጊ ዘሕትት ምዃኑ ወይዘሮ ኣዳነች ይገልፃ።ብሳልሳይ ደረጃ ዝተቐመጡ ዝርዝር ነገራት ኣፈፀምቲ ኣካላት ዝውስን ክኸውን ከሎ ራብዓይ ክፍሊ ድማ ዝተፈላለዩ መምርሒታት ዝምልከት እዩ። እገዳ ካብ መንጎ ዝተቐመጠሎም ተግባራት ክገልፃ ከለዋ ‘’ከም ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ትካላት ሕክምና፣ ቴሌኮምኒኬሽን፣ባንክታት፣መግቢ ዘቕርቡ ትካላት፣ፋብሪካታት፣ናይ ፅርየትን ሓለዋን ኣገልግሎት ዝህቡ ሰራሕተኛታትን ትካላትን፣ናይ ደረቕን ፈሳሲን ኣገልግሎት መጎዓዚያ ዝህቡ፣ኣገልግሎት ሕርሻ፣ኣፈረይቲ ኢንዱስትሪታትቲ፣ናይ ህንፀት ፕሮጀክትታት ምቁራፅ፣ዕንቅፋት ምፍጣር፣በዚ ደንቢ መሰረት ዝተኸልክለ እዩ’’ ኢለን። ቀንዲ ምኽንያት ናይቲ እገዳ ቁጠባዊ ዓቕሚ ናይታ ሃገር ምዃኑ ወ\/ሮ ኣዳነች ሓቢረን።ኮቪድ-19 ዘይኮነስ ናይ ኢኮኖሚ ፀገም ዘውረዶ ሽግር ክንዋጽኦ ዘይንኽል ስለዝኾነ ኮቪድ-19 ንምግጣም እትዋት ዘፍርዩ ደውው ከይብሉ ንምሕጋዝ እዩ ኢለን። ምንጭታት ሓበሬታን ዝርግሕኦምን እውን እገዳ ተገይሩሉ ኣሎ።ብመሰረት ወ\/ሮ ኣዳነች ምስቲ ሕማም ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ናይ ሓሶት፣ዘይትረጋገፁ፣ምንጮም ተኣማኒ ዘይኮነን ዘይፍለጡን ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ናይ ስነ ኣእምሮ ቅልውላው ምፍጣር፣ካብቲ ዝግብኦ ምግዛፍ ወይ ኣንኢስካ ምቐራብ ዝተኸልከለ ምዃኑ ብምግላፅ ሓዱሽ ናይ ሓበሬታ ስርዓት ኣብ ምዝርጋሕ ከምዝርከብ ገሊፀን።ብዛዕባ ኮቪድ-19 ሓበሬታን ትንተናን ዝህብ፣ኣፈፃፅምኡ ንህዝቢ ሪፖርት ዘቕርብ በብክልሉን መሓውር መንግስትን ኮሚቴ ክጣየሽ እዩ።ካብዚ ወፃኢ ትንተናን ሓበሬታን ምሃብ በዚ መምርሒ መሰረት ዝተኸልከለ እዩ ኢለን። እገዳ ካብዝተገበረሎም ጉዳያት ሓደ ምትእኽኻብ ካብ ፓርቲ ክሳብ እድር፣ካብ ሃይማኖታዊ ኣኼባታት ክሳብ ስፖርታዊ ምትእኽኻባት ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ዝተነብረ እገዳ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ገዝአን ክሓርሳ ይግደዳ ከምዘለዋ ሰራሕተኛታት ጥዕና ይገልፁ ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-issued-regulations-to-implement-the-sate-of-emergency-declared-last-week\/5370101.html"} {"headline":"ስነ ስርዓት ቀብሪ ጋዜጠኛ ጸሃዬ ደባልቀው ተፈጺሙ","content":"ምኩር ጋዜጠኛ ጸሃዬ ደባልቀው መጋቢት 25\/2012 ወይ ሚያዝያ 3\/2020 ድሕሪ ምዕራፉ ስነ ስርዓት ቀብሩ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ከባቢ ዋሽንግተን ዲሲ ተፈጺሙ ‘ሎ። ኣብ ዝተፈላለያ ሚድያታት ብሓላፍነት ዘገልገለ ጋዜጠኛ ጸሃዬ ደባልቀው ኣብ ኣኽሱም ትግራይ እዩ ተወሊዱ: ዓብዩ። ኣብ እዋን ስርዓት ደርጊ ኣስታት ዓሰርተ ዓመት ተኣሲሩ። ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ኣብ ዝተፈላለያ ሚድያታት ኢትዮጵያን ኣብ’ዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ብሞያ ጋዜጠኝነት ሰሪሑ። በዓልቲ ቤቱ ወ\/ሮ ጸባኦት ገብርየ ምስ ኣቶ ጸሃዬ ቅድሚ ኣስታት 20 ዓመታት ከምዝመጹ ትዝክር። 24 ዓመታት ናብራ ሓዳር ጸሃዬ ኣዝዩ ጥዑም ነይሩ ‘ምስ ጸሃዬ ምትዕራኽ፣ ኣብ ሓዳር ምጽማድ፣ ኣቦ ኮይኑ ዘሕለፍናዮ እዋን ፍሉይ ክብሪ ዝህቦ በዓል ቤተይ’ዩ ኢላ ትዝክሮ። ንዘጋጠማ ሓዘን ክትገልጾ ከላ ‘ብዕረፍቲ በዓል ቤተይ ኣቶ ጸሃዬ ካብ ልበይ ኣዝዩ ሓዚነ ኣለኹ። ጸሃዬ ብዘይመጠን ጽቡቅ ሰብ ነይሩ። ተዛሪቡ ዘቐይም ልሳን ዘይነበሮን፣ ጥዑም ዓርኪ፣ በዓል ቤት፣ ሓውን ጥዑም ሰብ እዩ። ንጸሃዪ ዝገልጸሉ ቃላት ይሓጽረኒ’ዩ’ ትብል። ትማሊ ሓሙስ ስነ ስርዓት ቀብሩ ዝተፈጸመ ጋዜጠኛ ጸሃዬ ደባልቀው በዓል ሓደርን ኣቦ ሓደ ቆልዓን ከምዝኾነ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ይገልጽ። ንመላእ ቤተሰብ: ፈለጡትን ስድራ ቤትን ጽንዓት ይሃብኩም ንብል። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ​","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%89%A5%E1%88%AA-%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B-%E1%8C%B8%E1%88%83%E1%8B%AC-%E1%8B%B0%E1%89%A3%E1%88%8D%E1%89%80%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%99\/5367931.html"} {"headline":"ኣይተ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ንምክልኻል ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና  ልዕሊ 4 ሚልዮን ቅርሺ ሓገዝ ኣበርኪቶም","content":"ኣይተ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ንምክልኻል ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ልዕሊ 4 ሚልዮን ቅርሺ ሓገዝ ኣበርኪቶም። በዓል ሃብቲ ኣይተ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ኣብ ምክልኻል ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ኣብ ኩሎም መድረካት ሓገዝ ዝነጥፉ ገባሪ ሰናይ በዓል ሃብቲ እዮም። ኣይተ ዘርኡ ኣብ ስራሕቲ ንግዲ ምምፃእን ምልኣክን ኣብ ሕርሻን ሆቴልን እናነጠፉ ይርከቡ። ኣይተ ዘርኡ ዝገበርኩዎ ሓገዝ ንመንን ብከመይን ምኳኑ ኣዋጊዖሙኒ ኣለዉ። ምስ ኣይተ ዘርኡ ዝተኻየደ ዕላል ኣብዚ ምስማዕ ይከኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%89%B0-%E1%8B%98%E1%88%AD%E1%8A%A1-%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%8A%E1%89%A3%E1%8A%96%E1%88%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%88%88%E1%89%A0%E1%8B%B3-%E1%88%95%E1%88%9B%E1%88%9D-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-4-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%89%85%E1%88%AD%E1%88%BA-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%8A%AA%E1%89%B6%E1%88%9D\/5367922.html"} {"headline":"ኤርትራውያን ተቐማጦ መቐለ ንምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ዝሕግዙ መሳርሒታት ናብ መዓስከር ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኢትዮጵያ ኣብፂሖም","content":"ኤርትራውያን መናእሰይ ተቀማጦ ከተማ መቐለ ንምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ዝሕግዙ መሳርሒታት ናብ መዓስከር ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኢትዮጵያ ኣብፂሖም። እዞም ኤርትራውያን መናእሰይ ብሰናይ ድልየቶም ተወዲቦምን ኣብ መዓስከራት ትግራይ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ወገናቶም ዝተፈላለዩ ሓገዛት ብምሓዝ እዮም ናብቲ ከባቢ ዝተጉዓዙ: ምስ ኣተሓባባሪ እታ ጉጅለ ኤርትራዊ መንእሰይ መርሃዊ ወይ ድማ ዘርኣይ ደረስን ኣባል እታ ናብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝተጉዓዘት ጉጅለ ዝኮነ መሓመድን ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይከኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%89%80%E1%88%9B%E1%8C%A6-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%88%95%E1%8C%8D%E1%8B%99-%E1%88%98%E1%88%B3%E1%88%AD%E1%88%92%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%B5%E1%8A%A8%E1%88%AD-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8D%82%E1%88%96%E1%88%9D\/5367904.html"} {"headline":"ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናብቲ ክልል ዝኣትው ተጓዓዝቲ ን14 መዓልታት ክውሸቡ ወሲኑ","content":"ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናብቲ ክልል ዝኣትው ተጓዓዝቲ ን14 መዓልታት ክውሸቡ ወሲኑ:: ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ጉባኤ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ንክልተ ሰሙን ዝወፀ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ንቐፃሊ ሰለስተ ወርሒ ክናዋሕ ወሲኑ`ሎ:: ካብቲ ክልል ወጻኢ ንዝመጽኡ ተጓዓዝቲ፡ ኣብቲ ዝኣትውሉ ከባቢ መንግስቲ ኣብ ዘዳለዎ መጽንሒ ንበይኖም ን14 መዓልታት ክውሸቡ ተወሲኑ እዩ:: ኣብቲ ጉባኤ መብርሂ ዝሃቡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ካብ ዝኾነ ይኹን ከባቢ ናብቲ ክልል ዝኣትዉ ተጓዓዝቲ ብናይ ባዕሎም ወፃኢ ንክልተ ሰሙን ከምዝውሸቡ ተዛሪቦም:: ብናይ ባዕሎም ዓቕሚ ኣብ መወሸቢ ቦታ ክፀንሑ ንዘይኽእሉ ሰባት ድማ ብቐፃሊ ንሪኦ ጉዳይ እዩ ኢሎም:: እቲ ውሳነ ኣብ ማሕበራዊ ይኹን ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ ዘለዎ ፅልዋ ንርዳእ ኢና ዝበሉ እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር: ድሕንነት ህዝቢ ንምሕላው እዩ ተወሲኑ ክብሉ ድማ ተዛሪቦም:: ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ናብ ትግራይ ዝኣትዉ ተጓዓዝቲ ን14 መዓልታት ምውሻብ ካብ ዝመጽእ ሰንበት ከምዝጅምር’ውን ተሓቢሩ’ሎ:: ዶክተር ደብረፅዮን ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝግበር ምንቅስቓስ ምኽልካሉ ስቡ ሓረስቶት ናብ ከተማታት ምህርቶም ንምቕራብ ከይፅገሙ ንምግባር ብሕብረት ስራሕ ማሕበራት ኣቢሉ ብእኩብ መንገዲ ናብ ዕዳጋ ክቐርብ እዩ ኢሎም :: \"ነዚ ተላባዲ ሕማም ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ውልቃዊ ረብሕኦም ብምቕዳም ብሓፂሩ ክህፍትሙ ዝደልዩ ሰባት ፀላእትና እዮም\" ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን ኣብ ሕማቕ እዋን ህዝቢ ትግራይ ዝኻሓዱ ኢልና ንህዝቢ ሽሞም ዕላዊ ክንገብር ኢና ኢሎም:: ኣብ ክልል ትግራይ ዝፀደቐ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ምስ ብመንግስቲ ፌደራል ዝወፀ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣይጻረርን’ዶ ዝብል ሕቶ ተላዒሉ: ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ \"ኣብ ሕገ መንግስቲ ስልጣን መንግስቲ ክልልን ፈደራልንን ብንፁር ተቐሚጡ ስለ ዘሎ ኣይፃረርን ኢሎም\" ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ህፁፅ ጉባኤ ሕጋዊ ኣፈጻጽማ ከይዲ እቲ ኣዋጅ ዝከታተተሉ ኣባላት መርማሪ ቦርድ እውን ተመዚዞም ኣለው:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%93%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%93%E1%8B%93%E1%8B%9D%E1%89%B2-%E1%8A%9514-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8B%8D%E1%88%B8%E1%89%A1-%E1%8B%88%E1%88%B2%E1%8A%91\/5367805.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ናብ 65 ክብ ምባሉ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ካብ ዝተመርመሩ 442 ሰባት: ትሸዓተ ሰባት ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኸቦም ሚንስትሪ ጥዕና`ታ ሃገር ኣፍሊጡ። ካብ መንጎ`ቶም ትሸዓተ ሰባት ሸውዓተ ኢትዮጵያውያን ክኾኑ ኸለዉ- እተን ክልተ ድማ ሓንቲ ናብ ዱባይ ትመላለስ ጓል 40 ዓመት ኤርትራዊትን ጓል 20 ዓመት ናብ ኣመሪካ ትመላለስ ህንዳዊት`የን ። ኣብ ኢትዮጵያ: ንልዕሊ 3,000 ሰባት መርመራ ዝተገብረ ክኸውን ከሎ- ክሳብ ሕጂ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰለስተ ሰባት ምምዝጋቦም ሚንስትሪ ጥዕና’ታ ሃገር ኣፍሊጡ’ሎ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%95%E1%8B%99-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-65-%E1%8A%AD%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%89-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5367786.html"} {"headline":"ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን  ኤርትራ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዝተፈለለዩ ንጥፈታት የከይድ ከምዘሎ ገሊጹ","content":"ሃገራዊ ማሕበር ተማሃሮን መንእሰያትን ኤርትራ(ሃማመተኤ) ክሳብ ንኡሳን ዞባታት ዝዝርጋሕ ኮሚተ ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ኣቑሙ ይሰርሕ ከምዘሎ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጹ። መንእሰያት ብማሕበርን ውልቅን ተወዲቦም ፡ህዝቢ ኣብ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ዘለዎ ግንዛበ ዘዕብዩ ዝተፈላለዩ ጎስጓሳትን ኣስተምህሮን ካልእ ዓይነታዊ ሓገዛትን ይገብሩ ከምዘለዉ ኣባላት’ታ ኮሚተ ተዛሪቦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AB%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%83%E1%88%AE%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB(%E1%88%83%E1%88%9B%E1%88%98%E1%89%B0%E1%8A%A4)-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%88%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%8A%95%E1%8C%A5%E1%8D%88%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%A8%E1%8A%A8%E1%8B%AD%E1%8B%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5366740.html"} {"headline":"ኤርትራ:ቁጽሪ ሕሙማት ቫይረስ ኮሮና ከምዝወሰኸ ተገሊጹ","content":"ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ክልተ መዓልታት ኣብ ልዕሊ 20 ጥርጡራት ኣብ ዝተገብረ መርመራ ክልተ ሰባት ቫይረስ ኮሮና ምልኻፎምን ቁጽሪ በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ሰባት 33 ምብጽሑን ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ገሊጹ። እዚ ከምዚ ኢሉ’ከሎ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብሩ ኤርትራዊያን ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዝውዕል ገንዘባውን ንዋታዊን ሓገዛት የበርክቱ ከምዘለዉ ሚንስትሪ ጥዕና ወሲኹ ሓቢሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%88%95%E1%88%99%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%B8-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9-\/5366180.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ን22,000 ተናበይቲ ጎደና ከም እተጣይስ ገሊፃ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 11 ከተማታት ንዝርከቡ 22,000 ተናበይቲ ጎደና ከምዘጣይስ ኣፍሊጡ።እዚ ቅድም ክብል ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ምስ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ብዝተኣሳሰረ ይሳለጥ ከምዘለዎ ሚንስትሪ ሰራሕተኛታትን ማሕበራዊ ጉዳይን ገሊፁ። እቲ ሚንስትሪ ኣብ መላእ እታ ሃገር ካብ ዝርከቡ 80,000 ተናበይቲ ጎደና ብፍላይ ኣብ ዋና ከተማታት ዝርከቡ ንምጥያስ ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-is-rehabilitate-22-thousands-homeless\/5366483.html"} {"headline":"ታይዋን ኣብ ልዕሊ ዶ\/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዓሌታዊ መጥቓዕቲ ኣይፈፀምኩን ኢላ","content":"ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ\/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ካብ ታይዋን ዝፍልፍል ዓሌታዊ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊኦም ይፍነው ኣሎ ኢሎም ንዘቕረቡዎ ክሲ ታይዋን ነፂጋቶ። ንፈለማ ግዜ ንናይ ሕቡራት ሃገራት ኤጀንሲ ዓለምለኸ ጥዕና ይመርሑ ዘለው ኢትዮጵያዊያ ዶ\/ር ቴድሮስ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ንሓደ ወርሒ መመላእታ ኣብ ማእኸል ለበዳ ኪቪድ-19 ኣብ ልዕሊኦም ዝተኻየደ ወፍሪ ፀለመ ምስ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ታይዋን ኣተኣሳሲሮምዎ ኣለው። ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ታይዋን ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ንክስታት ዶ\/ር ቴድሮስ ብትሪ ነፂጉዎ። ‘’ምዕቡላትን ዝለዓለ ዓወት ዘመዝገብና ስልጡናት ዴሞክራሲያዊ ሃገር ኢና፤ህዝብና ኣብ ልዕሊ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ውልቃዊ መጥቓዕቲ ኣይፍፅምን፤ ዓሌታዊ ር እይቶታት'ውን ኣይፈነወን’’ ኢሉ ። ታይዋን ኣብ ጥቓ ቻይና እትርከብ እንተኾነት እውን ነቲ ለበዳ ኣብ ምክልኻል ኣቐድም ኣቢላ ብዝወሰደቶም ስጉምታት ብዓለምከኸ ማሕበረሰብ ዝለዓለ ናእዳ ረኺባ እያ።ታይዋን ብኪቪድ-19 ዝተለኽፉ 379 ዝሞቱ ድማ 5 እያ መዝጊባ።እታ ባዕላ እተመሓድር ዲሞክራሲያዊት ሃገር ብሰንኪ ናይ ቻይና ተፅዕኖ ካብ ኣባልነት ውድብ ጥዕና ዓለm ተኸልኪላ ትርከብ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/taiwan-denies-accusations-of-racism-by-head-of-world-health-organization\/5366438.html"} {"headline":"ቤት ምኽሪ ሚንስትራት ኢትዮጵያ ዝርዝር እገዳታት ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ከውፅእ ምዃኑ ኣፍሊጡ","content":"ቤት ምኽሪ ሚንስትራት ኢትዮጵያ ህፁፅ ኣዋጅ ግዜ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ተኸታተልትን ተለዋወጥን እገዳታትን መምርሕታትን ከምዘውፅእ ኣፍሊጡ። እቶም ክልከላታት ወግዓዊ ዝኾኑ እቲ ኣዋጅ ፅባሕ ዓርቢ ብፓርላማ እታ ሃገር ምስ ፀደቐ ምዃኑ ኣብ ቤት ፀሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ሓላፊ ክፍሊ ፕረስ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ገሊፆም። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ምስ መራሕቲ ተቓወምቲ ፓርትታት ኣብ ዘካየድዎ ዝርርብ ዝተልዓለን ኣብ ስምምዕ ዝተበፅሐሉን ምዃኑ ኣቶ ንጉሱ ኣረዲኦም። ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኹ ንመጀመሪያ ግዜ ካብቲ ልሙድ ኣዳራሽ ወፃኢ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር እዩ ኣኼብኡ የካይድ ምህላው'ውን ተፈሊጡ'ሎ። እቲ ብቤት ምኽሪ ሚንስትራት ዝፀደቐ ህፁፅ ኣዋጅ ተግባራዊ ክኸውን ብክልተ ሲሶ ናይ ፓርላማ ድምፂ ክድገፍ ኣለዎ ይብል። ኣብ ኢትዮጵያ ሎሚ ዝተረጋግፀ ሓደ ሰብ ሓዊሱ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሓዙ 56 ዝሞቱ ድማ ክልተ ሰባት ተመጊቦም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-parliament-is-expected-to-endorse-the-state-of-emergency\/5366434.html"} {"headline":"መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ 550 ሚልዮን ዶላር ምኽሳሩ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፥ ካብዛ ዝሓለፈት ወርሒ ጥሪ ጥራሕ ብሰንኪ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮርኖ ልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ከምዝኸሰረ ኣፍሊጡ። ይኹን`ምበር እቲ መንገዲ ኣየር ናይ ጽዕነት በረራታት ብምውሳኽ ስርሑ ንምቕጻል ከምዝተኣማመን ዋና ኣካያዲ ስራሕ`ቲ መንገዲ ኣየር ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም ገሊጾም። ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም እቲ ትካል ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ 550 ሚልዮን ዶላር ከምዝኸሰረ ዝገልጽ ፥ እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ከቢድ ፋይናንሳዊ ቅልውላው ከምዘሎ ኣይከወለን። እንተኾነ ነዚ ማዕበል ከምንሰግሮ ንተኣማመን ኢና ኢሉ። ሓዲሽ ምንጪ ኣታዊ ኢና ነናዲ ዘለና ዝበለ ኣቶ ተወልደ፥ ሎሚ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ኣብ ምሉእ ዓለም ሕክምናዊ ቀረባት ዝያዳ ዘድልየሉ ዘሎ እዋን፥ ናብ ካርጎ ማለት ናብ ናይ ጽዕነት ነፈርቲ ኢና ነተኩር ዘለና ኢሉ። ንገለ ናይ ገያሾ ነፈርቶም ናብ ናይ ጽዕነት ነፈርቲ ይቕይርወን ከምዘለዉ`ውን ገሊጹ። ገለ ተንተንቲ ኢንዱስትሪ መንገድታት ኣየር፥ ብሰንኪ`ዚ ቅልውላው፡ ዝጥፍሻ መንገድታት ኣየር`ውን ከምዝህልዋ ይትንበዩ። ጆን ግራንት ካብ OAG ዝተባህለ ትካል ኣቪየሽን፥ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ግን ዝሓሸ ምሕደራ፥ ዝበዝሐ መርበባት ከምኡ ዝያዳ ዘመናውያን ነፈርቲ ስለዝውንን፥ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት`ዩ ዘሎ ብምባል፥ ናብ ናይ ካርጎ ዕዳጋ ብቐሊሉ ክኣቱ ከምዝኽእል ይገልጽ። ግራንት ኣተሓሒዙ፥ ጽዕነት ኣቑሑ ክንዲ ናይ ገያሾ ኣታዊ ዝርከቦ`ኳ እንተዘይኮነ፥ ኣብዚ ሕጽረት ዓቕምታት ካርጎ ኣጋጢምሉ ዘሎ እዋን፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብቲ ቅድሚ ሎሚ ብጽዕነት ዝረኽቦ ዝነበረ ኣታዊ ብሰለስተ ዕጽፊ ከዕብዮ ከምዝኽእል ይገልጽ። ቅድሚ ቫይረስ ኮርኖ ምምጽኡ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 350 በረራታት ናብ ልዕሊ 100 ቦታታት የካይድ ምንባሩ ይፍለጥ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%A8%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8D%E1%88%BD%E1%8C%A2-%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%88%AD%E1%88%95-550-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8B%B6%E1%88%8B%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%B3%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5366223.html"} {"headline":"ውድብ ሳልሳይ ወያነ ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ንሃገራዊ ምርጫ ምንውሑ ከምዘይቕበሎ ኣፍሊጡ","content":"ውድብ ሳልሳይ ወያነ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ከካይዶ ተመዲቡ ዝነብረ ሃገራዊ ምርጫ ምንውሑ ኣይቕበሎን ኢሉ:: እቲ ውድብ ፌደራል መንግስቲ ምርጫ ኣብ ግዝኡ ዘየካይድ እተኾይኑ ኣብቲ ክልል ምርጫ ክካየድ ሓቲቱ:: ኣብዚ ጉዳይ ህወሓት ሓቲትና ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዘውፀኦ መግለፂ ግዝኡ ዘይሓለወን: ብዙሕ መፅናዕቲ ዘይተገበረሉን እዩ ኢሉ :: ቦርድ ምርጫ ብወገኑ ቫይረስ ኮርና ዘተሓሳስብ ደረጃ ከምዘሎን መንግስቲ ትግራይ እውን ነዚ ተረዲኡ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ኣዊጁ ኣብዘለሉ እዋን ግዚኡ ኣይኮነን ምባል ነኒባዕሉ ዝጻረር እዩ ኢሉ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%B3%E1%88%8D%E1%88%B3%E1%8B%AD-%E1%8B%88%E1%8B%AB%E1%8A%94-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%89%A6%E1%88%AD%E1%8B%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%8B%8D%E1%88%91-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%95%E1%89%A0%E1%88%8E-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5365271.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ንምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ህፁፅ ግዜ ኣዊጃ","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና እናገፍሓ ብምምፅኡ መንግስቲ ህፁፅ እዋን ምእዋጁ ኣፍሊጦም። ንሶም ነቲ ኣዋጅ ኣብ ዘፍለጥሉ እዋን ንሃገርን ትውልድን ንምድሓን ካብዚ ንላዕሊ ክንውስን ከምእንኽእል ክፍለጥ ኣለዎም ኢሎም።ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንክዉዕል ኣብ ቤት ምኽሪ ሚንስትራት ዝፀደቐ ኣዋጅ ናብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ከምዝተልኣኸ ተገሊፁ ኣሎ። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ህፁፅ ግዜ ንምእዋጅ እዋኑ ሕጂ እዩ ኢሎም። \"ክሳብ እንዳሎን ኩነታት ክሳብ ዘገድዱን ተፀቢና ኢና \"ዝበሉ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ \"እቲ እዋን ኣኺሉ ኣሎ\" ኢሎም።ህፁፅ እዋን ምእዋጁ ብፅሑፍ ሎሚ ወግዓዊ ዝገበሩ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና እናገደደ ስለዝመፀ ህፁፅ እዋን ኣዊጅና ኣለና ኢሎም። ብቤት ምኽሪ ሚንስትራት ዝፀደቐ እዚ ኣዋጅ ብመሰረት ዓንቀፅ 93 ሕገ መንግስቲ መሰረት ምዃኑ እቶም ቀዳማይ ሚንስትርሓቢሮም። \"እዚ ጥራሕ እኹል ከይኸውን ይኽእል እዩ ፤ንሃገርን ወለዶን ንምድሓን ካብዚ ንላዕሊ ክንውስን ከም እንልእኽ ክፍለጥ ኣለዎ።ዜጋታት እውን ግቡኦም ንምፍፃም ካብዚ ንላዕሊ መዓንጥኦም ሸጥ ኣቢሎም ክፀበዩ ኣለዎም\" ክብሉ'ውን ኣተሓሳሲቦም። ልዕሊ 70 ሃገራት ዓለም ነቲ ለበዳ ንምክልኻል ህፁፅ ግዜ ምእዋጆም ቤት ምኽሪ ሚንስትራት ኣዘኻኺሩ። እቲ ህፁፅ ግዜ ተኣዊጁ ዘሎ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ስራሕ እናሃለወ ብምዃኑ ብህፁፅ ናብ ፓርላማ ክልኣኽ ከምተወሰነ እውን ተፍሊጡ ኣሎ።ዝርዝር መምርሒ ኣብ ዝቕፅል ክግለፅ ትፅቢት ይግበር።ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሩ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ 55 በፂሑ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-declares-state-of-emergency-over-covid-19\/5365027.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ 52 በጺሑ፥ ንሓደ ወርሒ ዝጸንሕ ሃገራዊ ጸሎት ትማሊ ብወግዒ ተጀሚሩ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ብኮሮና ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት 8 ተወሰኽቲ ድሕሪ ምርካቦም እቲ ቁጽሪ ናብ 52 ክድይብ ከምዝኸኣለ ተገሊጹ። ብኻልእ ወገን ንሓደ ወርሒ ዝቕጽል ሃገራዊ ጸሎት: ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ዝተረኽባሉ ስነ-ስርዓት ትማሊ ኣብ ሃገራዊ ቤተመንግስቲ ተጀሚሩ'ሎ። ምሉእ ትሕዝቶኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%89%A5%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%95%E1%8B%99-52-%E1%89%A0%E1%8C%BD%E1%88%91-%E1%8A%95%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%88%92-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%95-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8C%B8%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%88%9B%E1%88%8A-%E1%89%A5%E1%8B%88%E1%8C%8D%E1%8B%92-%E1%89%B0%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9-\/5363338.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ለበዳ ቫይረስ ኮረና ንምክልኻል 1,601 ተአረምቲ  ሕጊ ብይቕሬታ ክፍትሑ ተወሲኑ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ለበዳ ቫይረስ ኮረና ንምክልኻል 1,601 ተአረምቲ ሕጊ ብይቕሬታ ክፍትሑ ተወሲኑ:: እቶም እሱራት ካብ ሎሚ ጀሚሩ ናብ ስድርኦም ከምዝፅበሩ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን እቲ ክልል ኣፍሊጡ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%88%E1%89%A0%E1%8B%B3-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%A8%E1%8A%93-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-1-601-%E1%89%B0%E1%8A%A0%E1%88%A8%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%89%A5%E1%8B%AD%E1%89%95%E1%88%AC%E1%89%B3-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%91-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B2%E1%8A%91\/5363348.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ፈላሞት 2 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ምሟቶም ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ፈላሞት ክልተ ሰባት ተፈሊጦም። ኣብታ ሃገር ተወሰኽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት ከምዘለዉ ሚንስተር ጥዕና`ታ ሃገር ወ\/ሮ ሊያ ታደሰ ኣፍሊጣ`ላ። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ`ውን እዘን ዝቕጽላ 2-3 ሰሙናት ከበድቲ ክኾና`የን ክብል ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጡ ኔሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%9E%E1%89%B5-2-%E1%89%A5%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5362441.html"} {"headline":"ኤርትራ: ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ 31 ምብጽሑን ብቻይናዊ ቢልየነር ዝተለገሰ መከላከሊ'ቲ ቫይረስ ኤርትራ ዘይምብጽሑ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኤርትራ ሎሚ ክልተ ሰባት ተወሰኽቲ ብቫይረስ ኮሮና ምትሓዞም ተገሊጹ ብመሰረት ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣብ ኤርትራ ብኮሮናቫይረስ ዝተታሕዙ ናብ 31 ደይቡ`ሎ። ኩሎም ሕሙማት ግቡእ ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም ከምዘሎ`ውን ኣፍሊጡ`ሎ። ብኻልእ ወገን ብዙሕ ዝተዘርበሉ ቻይናዊ ቢልየነር ጃክ ሞ ዝለገሶ ቀረባት መከላኸሊ ጸረ ኮሮና ቫይረስ፥ ናብ ኤርትራ ከምዘይበጽሐ ይግለጽ ኣሎ። እቲ ኣቅሑት ናብ ኤርትራ ስለምንታይ ከምዘይበጽሐ ጽጹይ ሓበሬታ ዛጊት ኣይተረኸበን። ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ትካል ምክልኻልን ቁጽጽርን ሕማማት ኣፍሪቃ ግና፥ ነቲ ኣቁሑ ዝጻዓነት ነፋሪት ፥ መጋቢት 23 ካብ ካርቱም ናብ ኣስመራ ክትበርር መደብ ነይሩ፣ እንተኾነ ሰበ ስልጣን ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ንክትዓልብ ኣይፈቐዱላን ኢሉ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%89%A5%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%95%E1%8B%99-31-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%88%91%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%89%BB%E1%8B%AD%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%89%A2%E1%88%8D%E1%8B%A8%E1%8A%90%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%88%E1%8C%88%E1%88%B0-%E1%88%98%E1%8A%A8%E1%88%8B%E1%8A%A8%E1%88%8A-%E1%89%B2-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%88%91-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5362412.html"} {"headline":"ጋዜጠኛ ነበር ኣቶ ጸሃዬ ደባልቆ ዓሪፎም","content":"ንነዊሕ ዓመታት ብሞያ ጋዜጠኝነት ኣብ ዝተፈለለዩ ማዕከናት ዜና ዘገልገለ ኣቶ ጸሃዬ ደባልቆ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ ዓሪፉ`ሎ። ኣብዚ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ`ውን ሓደ እዋን ዝሰርሐ ኣቶ ጸሃየ፥ ብዝሓደሮ ሕማም ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ`ዩ ዝሓለፈ 3 ሚያዝያ 2020 ዓሪፉ። ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ኣብ 1943 ኣብ ከተማ ኣክሱም ዝተወልደ ኣቶ ጸሃዬ ደባልቀው፥ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓደ ውሉድን ኔሩ። ሓደ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሬድዮን ተሌቪዥንን ጋዜጠኛ ዝነበረ ጸሃዬ ደባልቀው ሰላም ዕረፍቲ- ንቤተሰብ ጽንዓት ይሃብ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%8C%B8%E1%88%83%E1%8B%AC-%E1%8B%B0%E1%89%A3%E1%88%8D%E1%89%86-%E1%8B%93%E1%88%AA%E1%8D%8E%E1%88%9D\/5362225.html"} {"headline":"ምርመራ ቫይረስ ኮረና ኣብ ክልል ትግራይ ንፈላማ ግዜ ተጀሚሩ","content":"ምርመራ ቫይረስ ኮረና ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወፃኢ ኣብ ክልል ትግራይ ንፈላማ ግዜ ተጀሚሩ:: ብኢንስቲትዩት ምርመር ጥዕና ክልል ትግራይ ዝተጀመረ ኮይኑ ኣብ መዓልቲ 270 ሰባት ክምርምር ዘኽእል እዩ ተባሂሉ:: ምርመራ ቫይረስ ኮረና ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጥራይ ክካየድ ዝጸንሓ ኮይኑ: ካብ ሎሚ ጀሚሩ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ንምክያድ ዘኽእል ቅድመ ምድላዋት ከምዝተዛዘመ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ተወልደ ውብኣየሁ ንድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም:: ከይዲ ፈተነ እቲ ምርመራ ዕውት ብምኻኑ ምርምራ ብዕሊ ንጅምር ዘለና ኢሎም:: 4 ሰብ ሞያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስልጠና ወሲዶም ከምዝመፁ ዝሓበሩ ዶክተር ተወልደ: ብዘሎ ግዚያዊ ዓቕሚ ኣብ መዓልቲ 270 ሰባት ምርመራ ቫይረስ ኮረና ክነካይድ ንኽእል ኢና ክብሉ ተዛሪቦም:: ምርመራ ዝካየደሎም ሰባት ብሓካይም ዝተመረፁን ብተወሳኺ ድማ ዝተጠርጠሩ ሰባት እዮም ዝበሉ ዶክተር ተወልደ: ሓካይም ካብ ዝተጠርጠረ ሰብ ናሙና ወሲዶም ዝልእኽዎ እዩ ኣብ ላብራቶሪ ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ትግራይ ዝምርመር ኢሎም:: ክምርመር እየ ብምባል ናብቲ ኢንስቲትዩት ሰብ ክመፅእ የብሉን ክብሉ ድማ ገሊፆም:: ብቐፃሊ ተወሳኺ ሰብ ሞያ ንምስልጣንን እቲ ምርመራ ንምስፋሕ ትልሚ ሒዝና ንሰርሕ ኣለና ክብሉ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ትግራይ ዶክተር ተወልደ ውብኣየሁ ሓቢሮም:: ኣብ ዝሓላፉ ሰሙናት ካብ ክልል ትግራይ 55 በቲ ቫይረስ ናይ ዝተጠርጠሩ ሰባት ናሙና ናብ ኣዲስ ኣበባ: ቅድም ኢሉ ድማ ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ተላኢኾም ብምርመራ ካብቲ ቫይረስ ነፃ ምኻኖም ተረጋጊፁ እዩ:: ምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ\/ር ደብረፂዮን ገ\/ሚካኤልን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ክልልን ትማሊ ምጅማር ምርመራ ኮረና ቫይረስ ኣብ ትግራይ ኣብቲ ኢንስቲቲዩት ተረኺቦም ተዓዚቦም እዮም። ዶ\/ር ደብረፂዮን፤ ክሳብ ሕዚ ኣብ ክልል ትግራይ መመርመሪ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮረና ብዘይ ምንባሩ ንህዝቢ ናብ ስግኣት ዘእተወ ከም ዝነበረ ገሊፆም:: ኣብ ትግራይ እቲ ምርምራ ብምስፋሕ እቲ ቫይረስ ኣብቲ ክልል ዘለዎ ደረጃ ንምፍላጥ ሓጋዚ እዩ ድማ ክብሉ ተዛሪቦም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%A8%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%9B-%E1%8C%8D%E1%8B%9C-%E1%89%B0%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9\/5358285.html"} {"headline":"ኣብ ኣርባዕተ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ናይ ህዝብ መካይን ምንቅስቃሳት ተአጊዱ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ኮማንድ ፖስት ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ንከተማ ባህርዳር ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ከተማታት ን14 መዓልታት ዝጸንሕ ንዝኾነ ይኹን ናይ ህዝብን መካይንን ምንቅስቓሳት ኣጊዱ። እገዳ ዝተነብረለን ከተማታት ባህርዳር: ኣዲስ ቅዳም: ቲሊሊን እንጂባራን እየን። ዞባ ደቡብ ወሎ እውን ኮሮናቫይረስ ንምክልኻልን እንተአጋጢሙ ድማ ዝተዋደደ ሕክምና ንምሃብን የኽእል እዩ ዝበሎም ሸሞንተ ነጥብታት ዝሓዘ ውሳነ ሎሚ ረቡዕ ምሕላፉ ዝበፅሐና ዜና ሓቢሩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ንምግፋሕ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ንልዕሊ 7,000 እሱራት ከምዝፈትሐ ተፈሊጡ። ብኻልእ ዜና ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ብኮሮናቫይረስ ዝተታሓዘ ነባሪ እታ ከተማ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ተወሺቡ ናይ ሕክምና ክትትል ይግበረሉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።እቲ ውልቀሰብን ካልኦት ብብዝሒ ዝነብረሉን ከባቢታት ፅባሕ ሓሙስ ናይ ፀረ ታህዋሲያን መድሓኒ ከምዝንጸግ ተፈሊጡ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%AD%E1%89%A3%E1%8B%95%E1%89%B0-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%B5%E1%89%83%E1%88%B3%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8A%A0%E1%8C%8A%E1%8B%B1\/5355819.html"} {"headline":"ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ናይ መግብን መስተን ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት ክዕጸዋ ኣዚዙ","content":"ምልባዕ ኮሮና ቫይረስ ንምቁጽጻርን ንምንካይን፡ብዙሓት ሰባት ዝእንግዳ ናይ መግብን መስተን ትካላት፡ኢንተርነት ካፈታት፡ኣብያተ ፍርድን ዝኣመሰላ ትካላት ካብ ሎሚ ጀሚሮም ክልተ ሰሙናት ክዕጸዋ ከምዝተወሰነ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣፍሊጡ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብዘን ዝሓለፋ 10 መዓልታት ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ናብ 15 ክብ ከምዝበለ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣፍሊጡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%8A%95%E1%88%98%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%85%E1%89%A3-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8B%95%E1%8C%B8%E1%8B%8B-%E1%8A%A3%E1%8B%9A%E1%8B%99\/5353677.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራን ኦሮምያን ብኮሮና ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት ምርኻቦም ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ንፈለማ ግዜ ብኮሮናቫይረስ ዝተታሓዙ ክልተ ሰባት ከምዝተረኸቡ ናይ ኢትዮጵያ ጥዕና ሕብረተሰብ ኢንስቲትዩትን ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያን ኣፍሊጦም። 37 ዓመት ዝዕድሚኣ ጓል ኣንስተይቲ ነባሪት ከተማ ባህርዳርን 32 ዓመት ዝዕድሚኡ ነባሪ ዞባ ብሄረሰብኣዊን ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።ክልቲኦም ኣብ ዝተዳለወ መወሸቢ ይሕብሐቡ ከምዘለውን ተሓቢሩ’ሎ። ብኻልእ ዜና ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ኣዳማ ብኮሮናቫይረስ ዝተታሕዙ ሰለስተ ሰባትምርካቦም ስግኣትን ስንባደን ፈጢሩ ኣሎ።ዝርግሐ ናይቲ ቫይረስ ንምክልኻል ናይቲ ክልል መንግስቲ 12 ነጥቢ ዝሓዘ ውሳነ ኣውፂኡ። ካብን ናብን ክልላት ዝንቀሳቀሱ ናይ ህዝቢ መጉዓዝያ መጎዓዚያ ከምኡ እውን ኣብ ከተማታት ኣገልግሎት ታክሲን ምሉእ ብምሉእ ጠጠው ክብል ተወሲኑ ኣሎ። መንግስቲ ክልል ትግራይ እውን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ድሕሪ ምእዋጁ ትማሊ ሰንበት ተወሳኺ ውሳነታት ኣሕሊፉ። ብኻልእ ዜና ሕጋዊ መንበሪ ዘይብሎም ኣብ ጅቡቲ ይነብሩ ዝነበሩን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ተገይሮም ድሬዳዋ ዝኣተውን ኢትዮጵያዊያን ቁጽሪ ኣስታት 1,900 ከምዝበፅሑ ተፈሊጡ።እቶም ተመለስቲ ካብቲ ሕብረተሰብ ተፈሊዮም ኣብ ዩኒቨርስቲ ድሬዳዋ ሓገዝ ይረኽቡ ከምዘለው ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኣመራርሓ ስራሕ ምንካይ ስግኣት ሓደጋ ድሬዳዋ ኣቶ ሀርቢ ቡህ ገሊፆም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%95%E1%8B%99-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%BB%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5352394.html"} {"headline":"ኣብ ለንደን 2 ኤርትራዊያን ብኮሮና ቫይረስ ከምዝሞቱ ተሓቢሩ","content":"ኣብ ለንደን ብሪጣንያ 2 ኤርትራውያን ብመልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ከምዝሞቱ ይግለጽ ኣሎ። እቶም ጓል 65 ዓመት ኣደን ወዲ 75 ዕድመ ኣቦን ሆስፒታል ድሕሪ ምእታዎም ድሕሪ ውሑድ መዓልታት ከምዝዓረፉ ዘፍለጠ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣየርላንድን፥ ዛጊት ካልኦት 10 ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ለንደን ኮሮናቫይረስ(ኮቪድ 19) ተረኺብዎም ከምዘሎ'ውን ሓቢሩ'ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%88%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%8A%95-2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%8D%8D%E1%89%B2-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%9E%E1%89%B1-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5352220.html"} {"headline":"ኤርትራ:ቁጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት 15 ምብጽሑ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኤርትራ ቁጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት 15 ምብጽሑ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣፍሊጡ። ካብቶም ተወሰኽቲ ኮሮና ቫይረስ ዝተረኽቦም ሽዱሽተ ውልቀሰባት እቶም ኣርባዕተ ኣብ መወሸቢ ዝጸንሑ ከምዝኾኑን እቶም ክልተ ድማ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ብዝተገብረሎም መርመራ ነጻ ኮይኖም ብምጽንሖም ናብ ቤቶም ተፋንያኦም ዝፀንሑ ምዃኖም ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣፍሊጡ’ሎ። ምስዚ ብዝተኣሳሰር መራሕቲ ሃይማኖት ክርስትናን እስልምና ኤርትራ ምእመናን ክክተልዎ ዝግባእ መምርሒታት ኣውጺኦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%89%A5%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%95%E1%8B%99-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-12-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%88%91-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5352208.html"} {"headline":"ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ካብ ጅቡቲ ዝተሰጎጉ 814 ኢትዮጵያዊያን ኣብ መወሸቢ ምሕላዎም ገሊጹ","content":"መንግስቲ ጅቡቲ ዘይሕጋዊያን እዮም ንዝበሎምን ናብ ኢትዮጵያ ዝሰጎጎም 814 ኢትዮጵያዊያን ተቐቢሉ ኣብ መወሸቢ ይሕብሕቦም ምህላው ምምሕዳር ድሬዳዋ ኣፍሊጡ። ነዞምተፈሊዮም ንዝተቐመጡ ኢትዮጵያዊያን ናይ መግቢ፣መደቀስን ካልኦት መሰረታዊ ቀረባትን ብምምላእ ን14 መዓልታት ከምዘፅንሖምን ድሕሪ 14 መዓልታት ኮሮናቫይረስ ዘይምህላዎም ተረጋጊፁ ናብ ከባቢ መንበሪኦም ከምዝልኣኹን ምክትል ከንቲባ ከተማ ድሬዳዋ ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ ቡህ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም። ብኻልእ ወገን ናይታ ከተማ ምምሕዳር ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝተጣየሸ ግብረ ሓይሊ ነበርቲ ክገብሩዎም ብዛዕባ ዝግብኦም ተግባራት መብርሂ ምሃቡ ተፈሊጡ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8B%B5%E1%88%AC%E1%8B%B3%E1%8B%8B-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8C%85%E1%89%A1%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%8C%8E%E1%8C%89-814-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%88%E1%88%B8%E1%89%A2-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%88%8B%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5349178.html"} {"headline":"ኣብያተ ትምህርቲን ኮሌጃትን ኢትዮጵያ ንተወሳኺ ክልተ ሰሙን ክዕጸዋ ምውሳኑ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ዩኒቨርሲታትን ኮለጃትን ወሲኽካ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ንተወሳኺ ክልተ ሰሙናት ክዕጸዋ ከምዝተወሰነ ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጡ። ማሕበራዊ ምፍንታት ድማ ኣብ ዕዳጋታትን ኣብ ሃይማኖታዊ ትካላትን ብጽኑዕ ክፍጸም ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ`ሎ። ቀዳማይ ሚንስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ ናይ ሎሚ መግለጺኡ፥ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ንፖለቲካዊ ዕላማ ይጥቀምሉ`ለዉ ንዝበሎም ሰባት`ውን መተሓሳሰቢ ኣመሓላሊፉ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AB%E1%89%B0-%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%8A%AE%E1%88%8C%E1%8C%83%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B3%E1%8A%BA-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%88%99%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%8B%95%E1%8C%B8%E1%8B%8B-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%91-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5348780.html"} {"headline":"ገለ ኣብያተ እምነት ኢትዮጵያ: ብመንግስቲ ዝወጸ ምድራት ማሕበራዊ ምትእኽካብ ይጥሕሳ ምህላወን ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ፥ ገለ ኣብያተ-ክርስትያናት ነቲ ንኮሮናቫይረስ ንምክልኻል መንግስቲ ህዝቢ ከይእከብ ዘውጽኦ እገዳ ዕሽሽ ይብልኦ ከምዘአዋ ይግለጽ ኣሎ። ኣብ መጀመርያ`ዚ ሰሙን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኩሉ ናይ ህዝቢ ምትእኽኻብ ክቋረጽ መምርሒታት ብምውጻእ-ኣካላት ጸጥታ`ውን ከተግብርዎ ኣዚዙ`ዩ። እንተኾነ ገለ ሃይማኖታዊ ጉጅለታት ምትእኽኻቦም ብምቕጻሎም ነቲ እገዳ ምትግባሩ ኣጸጊሙ`ሎ። ኣብ ቤተክርትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ሚድያ ዳንኤል ፈለቀ ንድምጺ ኣሜሪካ ክዛረብ ከሎ፥ ጉድለት መረዳእታ`ዩ ይብል። “ብመሰረቱ ጉድለት መረዳእታ`ዩ። ነቲ መምርሒ ብምእባይ ኣይኮነን። ነቲ ሓደጋ ብግቡእ ካብዘይምርዳእ`ዩ። ገለ ሰባት እቲ ሕማም ማዕረ ክንደይ ከቢድን ተኣፋፍን ምዃኑ ምሉእ ርድኢት የብሎምን። ግን እዚ ኣብ ቀረባ ከምዝእረም ክንገብር ኢና።። ንሕና`ውን ብናትና መዲያ ተጠቂምና ክንእርሞ ንፍትን ኣለና።\" ዳንኤል ፈለቀ ኣተሓሒዙ፥ ብዙሓት ኢትዮጵያን`ውን ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ብዝዝርጋሕ ግጉይ ሓበሬታን ኣጉል-እምነትን ይጽለዉ ኣለዉ ይብል። ኣብታ ሃገር ዘለዉ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ኣብያተ-ክርስትያናትን መሳጊድን ብዛዕባ ክግበር ዝግብኦ ኣምልኾ ንጹር መምርሕታት ኣውጺኦም ኣለዉ- ካብ መንጉኡ ሰባት ብውሕዱ 1.5 ሜትር ክርሓሓቑ ኣለዎም። ዋና-ጸሓፊ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ኣባ ተሾመ ፊቅረ፥ ንኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ብዙሕ ስጉምትታት ይወሰድ ከምዘሎ ይገልጹ። “ቅዳሴ ብውሕድ ዝበሉ ሰባት ቀጺልና ኣለና።ንሰባት ተቐቢሎም ቦታ ዘትሕዙ ኣገልገልቲ መዲብና ኣለና። ኣብ ሓደ ጣውላ 6 ሰባት ኮፍ ዝብሉ ዝነበሩ፥ ሎሚ ክልተ ሰባት ጥራይ ኮፍ ከምዝብሉ ኢና ንገብር ዘለና።\" እንተኾነ ሰባት ኮሮናቫይረስ ምንም ከምዘይጨንቖም ምርኣይ ንባዕሉ የሻቕል`ዩ ዝበሉ ኣባ ተሾመ፥ ነዚ ሸለል ምባል ድማ ዕሽነት ጥራይ ዘይኮነ ሓደገኛ`ዩ ኢሎም። ማእከል ምቁጽጻር ሕማማት ኣፍሪቃ ዝተባህለ ውድብ ድማ መንግስታት ኣብ እገዳ ምእካብ ሰባት ማዕረ ክንደይ የትግብራ ከምዘለዋ ይከታተል ኣሎ። እቲ ውድብ እቲ መምርሕታት እንተተግቢሩ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ እናወሓደ ክኸይድ`ዩ ይብል ። ብኻልእ ወገን ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ፥ ንኮሮናቫይረስ ተቓላዕቲ`ዮም ዝተባህሉ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ንዘይተወሰነ ግዜ ኣብ ገዝኦም ክጸንሑ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣፍሊጡ። ካብ መንጎኦም ነብሰ-ጾራትን ዘጥብዋ ኣዴታትን ከምኡ`ውን ዕድሚኦም ንጥሮታ ዝኣኸለ ይርከብዎም። ኣብቲ ክልል ንዝርግሓ`ቲ ሕማም ንምክልኻልን ምቁጽጻርን ብምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዝምራሕ ግብረ ሃይልን ኮማንድ ፖስትን ቆይሙ በብመዓልቱ ዝተፈላለዩ ውሳነታት የሕልፍ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%88%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AB%E1%89%B0-%E1%8A%A5%E1%88%9D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%8C%B8-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%92-%E1%8B%AD%E1%8C%A5%E1%88%95%E1%88%B3-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%88%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5347312.html"} {"headline":"መጠንቅቕታ ውድብ ጥዕና ዓለም ንኣሜሪካ","content":"ኢጣልያ ሎሚ እውን ብኮሮናቫይረስ ብከቢድ ትጥቃዕ ኣላ። ቻይና ኣብታ ምንጪ ኮሮናቫይረስ ዝኾነት ክፍለግዝኣት ሁቤ ኣንቢራቶ ዝነበረ ናይ ምዕፃው ትእዛዝ ኣልዒላቶ።ኣሜሪካ ዝቕጽልማእኸል እቲ ለበዳ ክትኸውን ትኽእል እያ ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ። 7,000 ብኮሮናቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ዝመዝገበትን በቲ ቫይረስ ኣዚያ ዝተጠቕዐትን ናይ ኢጣልያ ክፍለ ግዝኣት በርጋሞ ሆስፒታላት ብሕሙማት ኣዕለቕሊቖም፣ሰራዊት እታ ሃገር ሬሳታት ናብ ካልኦት ክፍለ ግዝኣታት የመላልሱ ኣለው። ከንቲባ ከተማ በርጋሞ ጊዮርጊ ጎሪ ከተምኦም ከምተን ካልኦት ከተማታት ኢጣልያ ንኮሮናቫይረስ ኣይተዳለወትን ነይራ ኢሎም። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት ሕማም ኒሞኒያ ኣብ ሆስፒታላት ከም ኮሮናቫይረስ ኣይተርኣየን ነይሩ።ከም እምነት እቶም ከንቲባ ሕሙማት ኒሞኒያ ንኻልኦት ሰባት ኮላይ ንዶክተራትን ነርስታትን ኣሕሊፎምሎም። እቲ ቫይረስ ኣብ ክፍለ ግዝኣቶም ብቕልጡፍ ክጋፋሕ ዝገበረ ካልእ ኣጋጣሚ 19 ለካቲት ዝተኻየደ ውድ ድር ሻምፒዮና ኩዕሶ እግሪ ነይሩ። ጎሪ ‘’40,000 ነበርቲ ከባቢ በርጋሞ ኣብ ናይ ሚላን ስታዲዮም ሳን ሲሮ ኣብ መንጎ ኣትላንታን ቫለኒሺያን ዝተኻየደ ውድ ድር ሪኦምዎ’’ ይብሉ። ጎሪ ብምውሳኽ ብዙሓት ካልኦት ሰባት እውን ኣብ ገዛውቶም ነቲ ውድድር ተኣኪቦም ሪኦምዎ እዮም ይብሉ ። ብዘይጥርጥር እዚ እቲ ቫይረስ ብቕልጡፍ ክጋፋሕ ኣበርኽቶ ገይሩ እዩ። በዝሒ በቲ ቫይረስ ይሞቱ ናይ ዘለው ሰባት ሎሚ እውን ዝለዓለ ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ። ኣብታ ክፍለ ግዝኣት ይሞቱ ናይ ዘለው ሬሳታት እኳ ናብ ዝወስዱዎ ስኢኖም ኣለው። ካልኦት ክፍለ ግዝኣታት ሬሳታት ክወስዱሎም ሓገዝ ይሓቱ ከምዘው ጎሪ ገሊፆም። ሰራዊት እታ ሃገር ሬሳታት ናብ ካልኦት ከተማታት እናወሰዱ ናብ ሓሙኽሽቲ ይቕይሩዎ ኣለው። ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ኣብ ኢጣልያ በዝሒ በቲ ቫይረስ ይትሓዙ ዘለው ሰባት ይወርድ ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ኣሎ ።ንናይ መንግስቲ ፃዕርታት ፀረ ኮሮናቫይረስ ይመርሑ ዘለው ጎመኒኮ ኣርቹሪ ግን ጣሊያናዊያን ነቲ ዝተነብረ እገዳ ከኽብሩ ዐዊዖም ኣለው።ካብዚ ቅልውላው መውፅኢ እንኮ መንገዲ እዚ እዩ ኢሎም። ቀዳማይ ሚንስትር ጣሊያን ግሴፔ ኮንቴ ብዘይፍቓድ ክንቀሳቐሱ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ቅድሚ ሎሚ ተቐሚጡ ዝነበረ ናይ 227 ዶላር መቕፃዕቲ ናብ 3,300 ዶላር ክልዕል ኣዊጆም ኣለው። ቻይና ኣብ ክፍለግዝኣት ሁቤ ኣንቢራቶ ዝነበረ ናይ ምዕፃው ትእዛዝ ኣልዒላቶ።ቻይና ሰባት ካብ ገዛውቶም ከይንቀሳቐሱ ብምኽልካል ብዝወሰደቶ ተሪሪ ስጉምቲ ዓብይ ምዕባለ ኣርእያ እያ።ሰበስልጣን ጥዕና ቻይና ሎማዕንቲ ረቡዕ 47 ሓደሽቲ ትሑዛት ኮሮናቫይረስ መዝጊቦም ኣለው። ኩሎም ካብ ወፃኢ ሃገራት ዝኣተው እዮም። ኣብ ኣሜሪካኣብ ቀረባ ሰሙናት እቲ ቫይረስ ብሰፊሑ ይጋፋሕ ኣሎ።ክሳብ ሎሚ ረቡዕ 55,000 እቲ ቫይረስ ዘለዎም ልዕሊ 700 ድማ ዝሞቱ ተመዝጊቦም ኣለው። ወሃቢት ቃል ውድብ ጥዕና ዓለም ማርጋሬት ሃሪስ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ ‘’ዝዓበየ ምስፍሕፋሕ ናይቲ ቫይረስ ኣለዎም፤ብዝዓበየ ቁፅሪ ድማ ይውስኽ እዩ ዘሎ’’ ኢለን ። ምርመራ እንተድኣ ወሲኹ ቁፅሪ ዝተትሓዙ ክዉስኽ ከምዝኽእል እውን ሓቢረን።ኣብቀረባ 85 ሚእታዊ ሓደሽቲ ዝተትሓዙ ኣብ ኣውሮጳን ኣሜሪካን እዮም። ካብዚ 40 ሚእታዊ ኣብ ኣሜሪካእዩ ኢለን። ሰበስልጣን ጥዕና ሰባት ንክረሓሓቑ ዝተወስደ ስጉምቲ ክቕፅል ኣለዎ ዝብል መርገፂ እንተለዎም እውን ናይ ኣሜሪካፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ግን ኣብ ዝቕፅሉ ሒደት ሰሙናት ስሩዕ ህይወት ክቕፅል እዩ ኢሎም ኣለው። ሴኔት ኣሜሪካኣናእሽቱ ነጋዶ ተለቂሖም ክንቀሳቐሱ፣ንስድራት ቤታት ገንዘብ ንምሃብን ንሰራሕተኛታትን ትካላትን ጥዕና ዘድልዩዎም ቀረባት ንከማልኡን ዝሕግዝ ክልተ ትሪሊዮን ዶላር ሎማዕንቲ ረቡዕ ኣፅዲቖም ኣለው። ኣብ ዙሪያ ዓለም ብኮቪድ 19 ዝተትሓዙ 423,000 በፂሑ ኣሎ።ልዕሊ 19,000 ህይወቶም ስኢኖም ኣለው። ሊቢያ ትማሊ ሰሉስ ንፈለማ ግዜ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ ሓደ ሰብ መዝጊባ ኣላ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8A%95%E1%89%85%E1%89%95%E1%89%B3-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%8A%95%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-\/5345543.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ምልክት ኮሮና ቫይረስ ተራእዩሎም ተባሂሉ ካብ ዝተመርመሩ 576 ሰባት እቶም 555 ናጻ ኮይኖም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ምልክት ኮቪድ-19 ተራእይዎም ኣሎ ተባሂሎም መርመራ ካብ ሞንጎ ዝተገበረሎም 576 ጥርጡራት ሰባት እቶም 555 ካብ‘ቲ ቫይረስ ናጻ ኮይኖም ከምዝተረኸቡ፣ ውጽኢት መርመራ እቶም ዝተረፉ 9 ንምርካብ ትጽቢት ይግበር ከምዘሎ ትካል ጥዕና’ታ ሃገር ኣፍሊጡ። ብኻልእ ወገን -ኣብ ኢትዮጵያ ብመሰረት ብደረጃ ኣብያተ ዕዮ ዝወጹ መምርሕታት ፣ ዝተፈላለዩ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ሎሚ ካብ ኣባይቶም ኮይኖም ክሰርሑ ከምዝጀመሩ ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀ\/ሚ ወ\/ሪት ቢልለኔ ስዮም ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጻ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%AD%E1%89%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%A5%E1%8B%A9%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%82%E1%88%89-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%AD%E1%88%98%E1%88%A9-576-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A5%E1%89%B6%E1%88%9D-555-%E1%8A%93%E1%8C%BB-%E1%8A%AE%E1%8B%AD%E1%8A%96%E1%88%9D-\/5345528.html"} {"headline":"64 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ኣብ ናይ ጽዕነት መኪና ተዓፊኖም ሞይቶም","content":"64 ኢትዮጵያዊያን ፍልሰተኛታት ኣብ ሞዛምቢክ ናይ ጽዕነት መኪና ተዓፊኖም ምማቶም መራኸቢ ብዙሃን ሞዛምቢክ ኣፍሊጠን። ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ይጉዓዙ ነይሮም ዝተብሃሉ እዞም ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት መተንፈሲ ኣብዘይብሉ ዝተዓሸገ ናይ ፅዕነት መኪና ተዳጒኖም ኣብ ከተማ ሞአቲዜ እታ መኪና ኣብዝተፈተሸትሉ እዋን ኣብ ውሽጢ ካብ ዝነበሩ 78 ሰባት 64 ሞይቶም ተረኺቦም ኣለው። ኣብ ታንዛኒያ ናይ ኢትዮጵያ ሚሽን ዲፕሎማት ኣቶ ቴድሮስ ግርማ ኤምባሲኦም እቲ ሓበሬታ ከምዝበፅሖ ገሊፆም። ’እቲ ዜና ሰሚዕናዮ ኣለና።ኣብዚ ስዓት እዚ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ተንቀሳቒስካ ሓበሬታ ምእካን ብኣካል ከይድኻ ምፃራይን ኣይክኣልን።ብዙሓት ሃገራት በረራ ጠጠው ኣቢለን እየን።እቲ ናይ ምፅራይ ስራሕ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ክነፃሪ ኢና ’’ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ​","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8C%BD%E1%8B%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%AA%E1%8A%93-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8D%8A%E1%8A%96%E1%88%9D-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/5343758.html"} {"headline":"ሓይሊ ዕማም ጥዕና ኤርትራውያን ኣብ ዲሲን ከባቢኣን ተመስሪቱ","content":"ኣብ ከባቢ ዲሲ ማለት ሜሪላንድ ቨርጂንያን ዲሲ ዝነብሩ ኤርትራውያን ሰብ ሞያ ጥዕናን ቴክኖሎጂን ካልእን ንለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ምቅላስ ንምሕጋዝ ግብረ ሓይሊ ዕማም መስሪቶም’ለዉ። ካብ መንጎ’ቶም መስረቲ ኣስመረት ተወልደን ብንያም ገብረስላሰን ብዛዕብኡ ንሪድዮ ድምፂ ኣሜሪካ መብርሂ ሂቦም’ለዉ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%8B%95%E1%88%9B%E1%88%9D-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%B2%E1%88%B2%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%8A%A3%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AA%E1%89%B1\/5343540.html"} {"headline":"ኣብ ኤርትራ ፈላማይ ብኮሮና ዝተታሕዘ ሰብ ምርኻቡ ተገሊጹ","content":"ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ፡ናይ ፈለማ ብኮሮና ቫይረስ ዝተታሕዘ ዜጋ ከምዝረኸበ ቀዳም 21 መጋቢት ኣፍሊጡ። እቲ ናይ ፈለማ ሕሙም ኣብ ነርዌይ ዝነብር ወዲ 39 ዓመት ኤርትራዊ ከምዝኾነን ቀዳም 21 መጋቢት ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ ብዝተገብረሉመርመራ በቲ ሕማም ከምዝተለኽፈ ብምርግጋጹ፥ ናይ ፈለማ ብኮሮና ቫይረስ ዝተታሕዘ ኤርትራዊ ኮይኑ ከምዝተመዝገበ ሚኒ\/ጥዕና ኤርትራ ኣፍሊጡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%95%E1%8B%98-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%BB%E1%89%A1-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5341819.html"} {"headline":"ሚ\/ጥዕና ኤርትራ ህዝቢ ማሕበራዊ ምትእኽካብ ከወግድ ኣተሓሳሲቡ","content":"ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሎሚ ሶኑይ 24 መጋቢት 2020 ኣብ ዘውጽኦ መምርሒ፥ ግድንን ኣድላይን እንተዘይኮይኑ ሰባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ከቋርጹን፡ ህዝባዊ መጓዓዝያ ካብ ምዝውታር ክቑጠቡን ኣተሓሳሲቡ`ሎ። ካብ 10 ንላዕሊ ሰባት ዝእከብሉ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት ስፖርታውን ባህላውን ንጥፈታት’ውን ክቋረጽ ዘፍለጠ እቲ መምርሒ ምእመናን ናብ ቤተእምነት ካብ ምኻድ ተቖጢቦም ኣብ ቤቶም ክሰግዱን ክጽልዩንኣተሓሳሲቡ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%8B%88%E1%8C%8D%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%B3%E1%88%B2%E1%89%A1\/5341796.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርግሓ ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል ብርክት ዝበሉ ስጉምትታት ኣዊጁ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ዝርግሓ ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብርክት ዝበሉ ስጉምትታት ኣዊጁ። ብዝሒ ሰብ ዝእከበሉ ኣኼባታት ክቋረጽ ሰባት ክፋናተት፥ኣኼባታት ፖለቲካዊ ውድባት ኮነ መንግስታዊ ትካላት ነቲ ቫይረስ ንምክልኻል ተመሳሳሊ ስጉምትታት ክወስዱ ከምኡ መጓዓዝያታት ሰባት ተቐራሪቦም ኮፍ ከይብሉ ዝብሉ ይርከብዎም። ሰራዊት ምክልኻልን ፖሊስን`ውን ብደረጃ ሃገር ነቲ ዝርግሐ ንምክልኻል ውሽጣዊ ቅድመ ምድላዋት ክገብሩ፥ ከምኡ ኣብ ዶባት ዝግበር ምንቅስቓሳት ብምልኡ ደው ክብል ኣዚዙ`ሎ። እዚ ስጉምቲ ግን ናብ ሃገር ንዝኣትዉ ሸቐጣትን ኣገደስቲ ኣገልግሎትን ኣይምልከትን። ብኻልእ ወገን ፥ምእመናን ኣብ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ካብ ናይ እምነት ቦታታት ኮነ ሰብ ዝበዝሓሎም ከባብታት ክቑጠቡ ናይ ኢትዮጵያ መራሕቲ ትካላት ዝተፈላለያ እምነታት የፍልጡ`ለዉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A2%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%88%93-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%8A%AD%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%88%B5%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%8A%E1%8C%81\/5341763.html"} {"headline":"መግለጺ ግንባር ነጻነት ኦሮሞ ኣብ ጉዳይ ፈለግ ኣባይ","content":"ግንባር ነጻነት ኦሮሞ ጉዳይ ፈለግ ኣባይ ናትና ጉዳይ'ውን'ዩ ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ። ማእከላይ ኮሚቴ’ቲ ግንባር ንሰለስተ መዓልታት ጉባኤ ድሕሪ ምክያድ ንመጻኢ ዝኸውን መደባትን ውሳነታትን ከምዘሕለፉ ኣቦ መንበር'ቲ ውድብ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ገሊጾም። ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ኦነግ ብሰላማዊ መንገዲ ንምቅላስ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝኣቱ ንድሓር ብፖለቲካ ኮነ ኣብ አጠቓላሊ ምንቅስቓሳቱ ከጋጥሙ ዝጸንሑ ጸገማት፣ ዝነበሩ ጉድለታትን ሓያል ጎንታትን ብምግምጋም ኣንፈት ጉዕዞ ኣቐሚጥና ኣለና ኢሎም ። ንጉዳይ ፈለግ ኣባይ ኣብ ዝምልከት ግንባር ነጻነት ኦሮሞ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኮይኑ ካብኡ ዝጽበ ግዴታ ንምፍጻም ቅሩብ ምዃኑ'ውን መራሕቲ'ቲ ውድብ ኣፍሊጦም ኣለዉ። ብዛዕባ ኣብ ዓለምና ዓቢይ ናይ ጥዕና ስግኣት ፈጢሩ ዘሎ ኮሮናቫይረስ ድማ ዝርግሓኡ ንኸይውስኽ ሚንስትሪ ጥዕናን ኢንስቲቱት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ዝሰርሕዎ ዘለዉ ስራሕ ብዝሓየለ ንክቕጽልኦነግ'ውን ብጽሒቱ ክፍጽም'ዩ ዝበለ መግለጺ ኦነግኣብ ምልእቲ ሃገር እኹል መረዳእታ ክበጽሕ ከምዘለዎ'ውን ኣዘኻኺሩ'ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%8A%90%E1%8C%BB%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9E-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8D%88%E1%88%88%E1%8C%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%8B%AD-%E1%8A%93%E1%89%B5%E1%8A%93-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8B%A9-%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%8C%BA%E1%8A%A1\/5335816.html"} {"headline":"መስራቲት ሆስፒታል ፊስቱላ ኢትዮጵያ ዶ\/ር ካትሪን ሃምሊን ዓሪፈን","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ምስ በዓል ቤታ ብምዃን ንፈቱሱላ ዝሕክም ካተሪን ሃምሊን ዝተባህለ ሆስፒታል ዝኸፈታ ዶ\/ር ካተሪን ሃምሊን ትማሊ ኣብ መበል 96 ዓመተን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሰላም ዓሪፈን። ንሰን ምስ ቅድሚኤን ዝሓለፉ በዓል ቤተን ዶ\/ር ረግ ሃምሊን ብምዃን ነቲ ሕክማና ካብ ዝኸፍቱ፡ እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ 61 ዓመታት ልዕሊ 60 ሺሕ ደቀኣንስትዮ ሕክምና`ቲ ክሓርሳ ከለዋ ከጋጥም ዝክእል ናይ ማህጸን መቕደድቲ ብምርካብ ህይወት ብዙሓት ምቕያረን ካብ ፋና ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%89%B2%E1%89%B5-%E1%88%86%E1%88%B5%E1%8D%92%E1%89%B3%E1%88%8D-%E1%8D%8A%E1%88%B5%E1%89%B1%E1%88%8B-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8A%AB%E1%89%B5%E1%88%AA%E1%8A%95-%E1%88%83%E1%88%9D%E1%88%8A%E1%8A%95-%E1%8B%93%E1%88%AA%E1%8D%88%E1%8A%95\/5335698.html"} {"headline":"ኣብ ምዕራብ ወለጋ ዝተዓጽወ ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኢንተርነትን ሓበሬታ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ምብጻሕ ዕንቕፋት ይከውን ከምዘሎ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባታት ምዕራብ ወለጋ ቅድሚ ልዕሊ ክልተ ወርሒ ዝተዓጽወ ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኢንተርነትን እቲ ሕብረተሰብ ብዛዕባ ተላጋቢ ሕማም ኮሮናቫይረስ እኹል ሓበሬታ ንኸይረክብ ዕንቅፋት ይኸውን ኣሎ ክብሉን ገለ ነበርትን ሰብ-ሞያ ጥዕናን ተዛሪቦም። ምኽትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ክልል ኦሮሚያ ዶ\/ር ዓብደልቃድር ገልገሎ ድማ ብዛዕባ`ቲ ሕማም መረዳእታ ዘብጽሕ ማእከል ኣብ ነቀምት ስለዝተኸፍተ ኣብ ዞባታት ወለጋ መረዳእታ ይህብ ኣሎ ክብል መሊሱ`ሎ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋ ኣቶ ነገራ ፈይሳ፥ ሰብሞያ ጥዕና`ቲ ዞባ ኣብ ወረዳታት ብኣካል ተረኺቦም ግንዛቤ ይህቡ ምህላዎም ድሕሪ ምጥቃስ ድንገተኛ ምልክት ኣብተን ወረዳታት እንተጋጢሙ ግን ናይ ሞባይል ቴሌፎን ኣገልግሎት ብዘይምህላዉ ቀልጢፍካ ነቲ ሓበሬታ ናብ ማእከል ንምብጻሕን ስጉምቲ ንምውሳድን ኣጸጋሚ ከምዝኾነ ገሊጹ`ሎ። ሓደ ንስርሐይ ስግኣት ስለዝፈጥረለይ ሽመይ ከይጥቀስ ዝበለ በዓል ሞያ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ምብራቕ ወለጋ`ውን፥ ንሕማም ተላገብ ኮሮናቫይረስ ብዝምልከት ኣብ 17 ወረዳታት ምስ ዘለዉ ሰብ ሞያ ጥዕና ንምርኻብ ኢንተርነት ስለዘየለ ኣጸጊምዎም ከምዘሎ ገሊጹ`ሎ። ኣብ ምእራብ ኦሮምያ ዝተፈላለያ ዞባታት ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ነጻነት ኦሮሞ ኢና ኢሎም ተዓጢቖም ኣብ ጫካ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ስጉምቲ ክውሰድ ካብ ዝጅመር ንድሓር ኣገልግሎት ቴሌፎን ብምዕጻዉ እቲ ስጉምቲ ዕዉት ምዃኑ ምኽትል ጠቕላሊ ወታሃደራዊ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ቅድሚ ሎሚ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8C%8B-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8C%BD%E1%8B%88-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%89%B4%E1%88%8C%E1%8D%8E%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%93%E1%89%A0%E1%88%AC%E1%89%B3-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%BB%E1%89%A5-%E1%8B%95%E1%8A%95%E1%89%95%E1%8D%8B%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8A%A8%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5335668.html"} {"headline":"ናይ ካልኣይ ደረጃ መልቀቒ ፈተና ኣብ መላእ ኤርትራ ይወሃብ ኣሎ","content":"ናይ ካልኣይ ደረጃ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና( ማትሪክ) ሎሚ 18 መጋቢት ኣብ መላእ ኤርትራ ክወሃብ ጀሚሩ። ሎሚ ዓመት ብደረጃ ሃገር 14,960 ተማሃሮ ይፍተኑ ከምዘለዉን ካብዚኦም እተን 7,149 ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾናን ዝሓበረ ቤት ጽሕፈት ማእከል ፈተና ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ላዕለዎት ትምህርትን ምርምርን ኤርትራ ሓቢሩ። እቲ ቤት ጽሕፈት ብተወሳኺ ኣብ ርያድን ጅዳን ስዑዲ ዓረብ ንዝመሃሩ ኤርትራውያን ክወሃብ ተመዲቡ ዝነበረ ፈተና ብሰንኪ ተላባዒ ሕማም ኮረና ቫይረስ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸዋ ብምውሳኑ ክወሃብ ከምዘይተኻእለ ኣፍሊጡ’ ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A3%E1%8B%AD-%E1%8B%B0%E1%88%A8%E1%8C%83-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%89%80%E1%89%92-%E1%8D%88%E1%89%B0%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%88%8B%E1%8A%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%8E\/5334285.html"} {"headline":"ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ካብን ናብን ኤርትራ ኮነ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝካየዱ መገሻታት ህጹጽ ንዝኾኑ ምኽንያታት ጥራይ ክግበሩ ኣዚዙ","content":"ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ካብን ናብን ኤርትራ ዝገበሩ መገሻታት ብዝምልከት ሓድሽ ናይ ጉዕዞ ምምርሒ ኣውጺኡ። ካብን ናብን ኤርትራ ዝገበሩ መገሻታት ናይ ግድን ህጹጽ ንዝኾኑ ምኽንያታት ጥራይ ምስ ዝኸውን ክካየዱ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ብ15 መጋቢት ኣብ ዝዘርግሖ መምርሒ ኣፍሊጡ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝግበሩ መገሻታት’ውን ናይግድን እንተዘይኮይኑ ክድረቱ ከምዝግባእ፡ ኩሉ ሰብ ብዝተኻእለ መጠን ካብ ናይ ሰባት ምትእኽኻብ ክፍንተት ከምዝግባእ እቲ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ዝተዘርግሓ መምርሒ ኣፍሊጡ’ሎ። ኣቐዲሞም ካብን ናብን ኤርትራ ዝተጓዕዙ ገያሾ ኣብ ዝደለይዎ ግዜ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዝኽእሉ ኣብ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ግዝያዊ ጀነራል ዳይረክተር ዶ\/ ር ዓንደብርሃን ተስፋጽዮን ንድምጺ ኣሜሪካ ብተለፎን ሓቢሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%AE%E1%8A%90-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8D%E1%88%BD%E1%8C%A2-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B1-%E1%88%98%E1%8C%88%E1%88%BB%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8C%B9%E1%8C%BD-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%8A%BE%E1%8A%91-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8C%A5%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%8C%8D%E1%89%A0%E1%88%A9-%E1%8A%A3%E1%8B%9A%E1%8B%99\/5330810.html"} {"headline":"ብልፅግና  ፓርቲ  ንክልል ትግራይ ጠመተ ዝገበሩ ኣብያተ ፅሕፈት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ክልል ትግራይን ክኸፍት ምኻኑ ኣፍሊጡ","content":"ብልፅግና ፓርቲ ንክልል ትግራይ ጠመተ ዝገበሩ ኣብያተ ፅሕፈት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ክልል ትግራይን ክኸፍት ምኻኑ ኣፍሊጡ:: ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ቋንቋን ስነ ጹሑፍን ዝኾኑ ኣይተ ነብዩ ገብረሚካኤል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብልፅግና ክልል ትግራይ ኮይኖም ክሰርሑ ከምዝተመደቡ ተገሊፁ ኣሎ:: ውድብ ብልፅግና ንኣይተ ነብዩ ስሑልሚካኤል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብልፅግና ክልል ትግራይ ኮይኖም ክሰርሑ ከምዝመደቦም ኣፍሊጡ:’ ሎ: እቲ ውድብ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈላለዩ ከባቢታትን ኣዲስ ኣበባን ንብልፅግና ክልል ትግራይ ዘተሓባብሩ ኣብያተ ፅሕፈት ከምዝኸፍት ኣፍሊጡ:: ብዘይካ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ መሓውር ውዳብኡ ዘጣየሸ ውድብ ብልፅግና ሎሚ ኣብቲ ክልል ኣብያተ ፅሕፈት ከምዝኸፍት ኣፍሊጡ ኣሎ:: ሓላፊ ርክብ ህዝብን ዓለምለኸን ውድብ ብልፅግና ኣይተ ኣወሉ ኣብዲ ከምዝገለፅዎ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህር ቋንቋን ስነፅሑፍን ዝኾኑ ብነብዩ ስሑል ሚካኤል ብዝብል ሽም ዝፍለጡ ኣይተ ነብዩ ገብረሚካኤል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብልፅግና ክልል ትግራይ ብምዃን ተመዲቦም ኣለው ኢሎም። ብተወሳኺ ምደባ ኣመራርሓ ብልፅግና ክልል ትግራይ እውን ከምዝተኻየደ ዝገለፁ ኣይተ ኣወሉ ናይ ካልኦት ኣመራርሓ ሽም ካብ ምፅራሕ ግና ተቖጢቦም። ብቐፃሊ ኣወዳድባ እቲ ውድብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ መቐለን ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዘለዉ ዞባታትን ወረዳታተን ከምዝካየድ ገሊፆም:: ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዝህልዎም ተቐባልነት ተሓቲቶም \"ህዝቢ ብፍርሒ ክነብር ተገይሩ እምበር ደጋፊ ውድብ ብልፅግና ምኻኑ ብዝገብርናዮ ዳህሳስ ተዓዚብና ኢና\" ኢሎም:: ውድብ ብልፅግና ኣብዚ ዓመት ንዝካየድ ምርጫ ኣብ ኩሎም ከባቢታት ክልል ትግራይ ከምዝሳተፍ ድማ ኣይተ ኣወሉ ገሊፆም:: ብልፅግና ኣብቲ ክልል መሓውሩ ንምውዳብ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ብደብዳበ ከምዘፍለጠ እውን ኣይተ ኣወሉ ገሊፆም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%8D%85%E1%8C%8D%E1%8A%93-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8C%A0%E1%88%98%E1%89%B0-%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%88%A9-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AB%E1%89%B0-%E1%8D%85%E1%88%95%E1%8D%88%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%8A%B8%E1%8D%8D%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BB%E1%8A%91-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5332591.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ኣብያተ ትምህርቲን ህዝባዊ ምትእኽኻባትን ኣጊዳ","content":"ኢትዮጵያ ዝርግሐ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ ኣብያተ ትምህርቲ ፤ስፖርታዊ ውድድራት ሓዊሱ ሓያለ ህዝቢ ምትእኽካብ ዘለዎ ምንቅስቓሳት ኣጊዳ’ላ። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ነዚ ስጉምቲ ዘፍለጡ ኣብታ ሃገር ቁፅሪ ብኮረና ቫይረስ ዝተትሓዙ ውልቀሰባት ሓሙሽተ ምብፅሖም ስዒቡ’ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AB%E1%89%B0-%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%8A%BB%E1%89%A3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8C%8A%E1%8B%B3-\/5331227.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ይግበር ዘሎ ቅድመ ምድላዋት","content":"ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ በቲ ቫይረሱ ዝጥቅዑ ሰባት ተፈልዮም ዝሕከምሉ ቦታ ኣቐዲሙ ከምዘዳለወ ሓቢሩ’ሎ:: ኣብ ክልል ትግራይ ክሳብ ሐዚ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ከምዘየለ ዝገለፀ እቲ ቢሮ: ሓሙሽተ በቲ ሕማም ዝተጠርጠሩ ሰባት ምርመራ ተኻይድሎም ካብ ኮሮና ነፃ ኮይኖም ምጽንሖም ኣፍሊጡ’ሎ:: ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ርእየ ኢሳያስ ንድምፂ ኣሜሪካ ከምዝተዛረብዎ: ኮረና ቫይረስ ንምክልኻል ብብርኪ ክልል ኮሚቴ ተጣይሱ ይስራሕ ከምዘሎ:ናብቲ ክልል ዝኣትው ካብቲ ቫይረስ ዝተርኣየለን ሃገራት ዝኾኑ ተጓዓዝቲ ስራሓት ምምማይን ጥቡቕ ክትትል ከምዝካየደሎም ተዛሪቦም:: ኣብ ከተማ መቐለ በቲ ቫይረስ ንዝተጠቕዑ ሰባት ዝሕከምሉ ማእኸል ኣቐዲሙ ከምዝተዳለወ ዶክተር ርእየ ዝገለፁ ኮይኖም ኣብ ቐረባ እዋን ድማ ኣብ ከተማታት ሽረ እንዳስላሰን ሑማራን ተመሳሳሊ ማእኸል ክዳለው እዩ ኢሎም:: ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ምስንባድ ይረአ ኣሎ ዝበሉ እቶም ምክትል ሓላፊ ቢሮ እኹል ጥንቃቐን ክትትል ብምግባር እቲ ቫይረስ ምክልኻል ይከኣል ክብሉ ገሊፆም:: ሕብረተሰብ ድማ ካብ ቢሮ ጥዕና: ሚንስትር ሓለዋ ጥዕናን ውድብ ጥዕና ዓለምን ዘሕልፍዎም መልእኽትታት ተኸታቲልኻ ኣብ ተግባር ምውዓል ይግባእ ኢሎም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%8B%AD%E1%8C%8D%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%89%85%E1%8B%B5%E1%88%98-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%8B%E1%8B%8B%E1%89%B5\/5331129.html"} {"headline":"ሚንስትሪ ሕርሻ ኤርትራ (ኣኳፖኒክስ)ሕርሻ ማይ ከምዘተኣታተወ ገሊጹ","content":"ሚንስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ብውሑድ ማይን ኣብ ንእሽቶ ቦታን ዓሳ፡ኣሕምልትን ፍረታትን ንምፍራይ ዝሕግዝ ሓመድ ኣልቦ ሕርሻ ማይ(ኣኳፖኒክስ)ከምዘተኣታተወ ኣብቲ ሚንስትሪ ሓላፊ ምህዞን ሰንዓን መንእሰይ ገዛኢ ገ\/እግዛቢሔር ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ። ሓመድ ኣልቦ ሕርሻ ማይ ኣብ ዝኾነ ቦታን ኩነታት ኣየርን ክትግበር ዝኽእል ኣብ ርእሲ ምዃኑ 95 ሚእታዊት ማይ ብምዕቃብ ካብቲ ንቡር ሕርሻ ኣርባዕተ ዕጽፊ እቶት ከምዝርከቦን መንእሰይ ገዛኢ ተዛሪቡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%88%95%E1%88%AD%E1%88%BB-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-(%E1%8A%A3%E1%8A%B3%E1%8D%96%E1%8A%92%E1%8A%AD%E1%88%B5)%E1%88%95%E1%88%AD%E1%88%BB-%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%89%B0%E1%8A%A3%E1%89%B3%E1%89%B0%E1%8B%88-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5330915.html"} {"headline":"ነፈርቲ ውግእ ኣሜሪካ ኣብ ዒራቕ ንዝርከቡን ብኢራን ናይ ዝድገፍ ጉጅለ ደብዲበን","content":"ነፈርቲ ውግእ ኣሜሪካ ኣብ ዒራቕ ንዝርከቡን ብኢራን ናይ ዝድገፍ ጉጅለ ደብዲበን።እቲ ደብዳብ ቅድሚ 24 ስዓታት ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካን ወታሃደራት ጥምረትን ንዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ሕነ ንምፍዳይ ምዃኑ’ውን ተገሊጹ’ሎ። ትማሊ ሓሙስ ምሸትን ሎሚ ዓርብ ንጉሆን ዝተፈፀመ ደብዳብ ነፈርቲ ዒላማ ዝገበረ ክታይብ ሂዝቦላህ ዝተባህለ ጉጅለ ዝውንኖም ሓሙሽተ መኽዘናት ኣፅዋር እዮም።እቲ ጉጅለ ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ባቕዳድ ንዝርከብ ወታደራዊ መደብር ዒራቕ ሮኬት ብምውንጫፍ ንኽልተ ወታሃደራት ኣሜሪካን ሓደ ኢንግሊዛዊ ወታሃደርን ቀቲሉ ንካልኦት 14 ኣቑሲሉ’ሎ። ሚንስትር ምክልኻል ኣሜሪካኣብ ዘውፅኦ መግለፂ እቲ ዝተፈፀመ ደብዳብ ንርእስኻ ንምክልኻል ዝተኻየደ ተመጣጣኒን ቀጥታዊን ግብረመልስን እዩ ኢሉ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%90%E1%8D%88%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%8D%E1%8C%8D%E1%8A%A5-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%92%E1%88%AB%E1%89%95-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8A%A2%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8B%B5%E1%8C%88%E1%8D%8D-%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B2%E1%89%A0%E1%8A%95\/5328152.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ብኮሮና ቫይረስ ዝተታሕዘ ሰብ ምርካቡ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ብኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዐ ሰብ ከም ዝተረኽበ ሚንስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ወ\/ሮ ሊያ ታደሰ ኣፍሊጣ። እቲ ጃፓናዊ ዜጋ፡ ዝሓለፈ ለካቲት 25\/ 2012 ካብ ቡርኪናፋሶ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተወ ተፈሊጡ`ሎ። እቲ ቫይረስ ኣብ ቻይና ካብ ዝተረኸበሉ እዋን ጀሚሩ፡ ናብ ሃገር ከይኣቱ፡ እንተኣትዩ ድማ ጉድኣቱ ንምንካይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሚንስትሪ ጥዕናንን ብርክት ዝበሉ ስራሓት ክዓሙ ከምዝጸንሑ ዝገለጸት ሚንስትር ጥዕና ሊያ ታደሰ፡ ናይ መጀምርያ ተጠቃዓይ ምርካቡ፡ ናይ ምክልኻል ስጉምታታት ንኽሕይል`ምበር ንክንሰናበድ ዝገብረና ክኸውን ኣይግባን ኢላ። እቲ በቲ ቫይረስ ዝተታሕዘ ሰብ ከምዝተታሕዘ ቅድሚ ምፍላጡን ቅድሚ ናብ ሕክምና ምኻዱን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረሉ ኩነታትን ምንቅስቓሳቱን ብዝምልከት፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝውሰድ ስጉምትታት ዓይነት ይውሰድ ከምዘሎ`ውን ኣብ`ቲ ጋዜጣዊ መግለጺ መብርሂ ዝሃበ ዳይሬክተር ኢንስቲቱት ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኤባ ኣባተ ዝስዕብ መልሲ ሂቡ። “ኣብዚ እዋን`ዚ ንፈልጦ ተታሒዙ ዘሎ ሓደ ሰብ ጥራይ`ዩ። ተወሺቡ`ዩ ዘሎ። ኩነታት ጥዕንኡ ኣብ ደሓን`ዩ ዝርከብ። ምስኡ ርክብ ዝነበሮም ኣብ ትሕቲ ምክትታል`ዮም ዘለዉ። ስለዚ እዚኦም ተደሚሮም ንቀጻሊ ንሰርሓሎም`ዮም።” ሚንስትር ጥዕና ሊያ ታደሰ ብወገና፡ ኢትዮጵያ ዝኾነ ዓይነት በረራ ደው ንምባል መደብ ከምዘይብላ ኣፍሊጣ`ላ። ‘’ እዚ ቫይረስ ሎሚ ኣብ 134 ሃገራት`ዩ ዘሎ። ስለዚ በረራታት ደው ምባል ፍታሕ ኣይኮነን ‘’ ዶ\/ር ሊያ ኣተሓሒዛ ኢትዮጵያ ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ን600 ናይ ምውሻብ ዓቕሚ ከምዘለዋን ተወሳኺ ሆስፒታላት ንምድራብ`ውን ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ኣፍሊጣ። እቲ ዝሓለፈ ሰሙን መጋቢት 4 ,2020 ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ ጃፓናዊ፡ ኣብ ቡርኪናፋሶ 10 መዓልታት ኣሕሊፉ ምንባሩ ንምፍላጥ ተኻኢሉ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%95%E1%8B%98-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%AB%E1%89%A1-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5327870.html"} {"headline":"ፓርላማ ኢትዮጵያ ብቀ\/ሚ ንዝቐረቡ ሓደሽቲ መዝነታት ኣጽዲቑ","content":"ፓርላማ ኢትዮጵያ ንመዝነት ኣርባዕተ ሚንስትራትን ሓደ ኮሚሽነርን ብብዝሒ ድምፂ ኣፅዲቑ።ገለ ኣባላት ቤት ምኽሪ እቲ ሹመት ንህወሓትን ህዝቢ ክልል ትግራይን ዘግለለ እዩ ክብሉ ተቓዊሞምዎ ኣለው። ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ ኣብዘካየዶ ኣኼባ ብቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ንዝቐረቡ መዝነታት ኣፅዲቑ’ሎ።ሚንስትር እቶት ውሽጢ ሃገር ዝነበራ ወ\/ሮ ኣዳነች ኣበቤ ጠቓላሊት ዓቃቢ ሕጊ፤ሚንስትር ድኤታ ጥዕና ዝነበራ ዶ\/ር ሊያ ታደሰ ሚንስትር ጥዕና፣ኣቶ ላቀ ኣያሌው ሚንስትር እቶት ውሽጢ ሃገር፣ወ\/ሮ ፈልሰን ዓብዱላሂ ሚንስትር ደቂ ኣንስትዮ፣ህፃናትን መናእሰይን ብምዃን ተሸይሞም ኣለው። ነቲ ሹመት ብትሪ ካብ ዝተቓወሙ ኣባላት ቤት ምኽሪ ሓደ ከምዚ ኢሎም። “እዚ ብመሰረቱ ንህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ዘግለለ ሹመት እዩ።ህወሓትን ህዝብን ዝወከሎ እናሃለወ ብኣቋረጭ ዝግለሉ፣ሕገ መንግስታዊን ህብረብሄራዊን ስርዓት ፌደራል እናፍረሰ ስለዝኾነ እዚ ሹመት ቕኑዕ ኣይኮነን።” ኢትዮጵያ ካብ እትርከበሉ ድኽነት ዘውጽኣ መራሒ ኢና ንደልይ፣እቲ ሹመት በብሽዱሽተ ወርሒ ሓዱሽ ሰብ እናመፀ ስለዝኾነ እዛ ሃገር ተራጋጊኣ ንኽትጉዓዝ ዝተረጋገአ ኣመራርሓ የድሊየና ክብሉ ካልእ ኣባል ቤት ምኽሪ ርእይቶ ሂቦም። ካብዚ ዝተፈለየ ሓሳብ ዘቕረቡ ካልእ ኣባል ቤት ምኽሪ ከምዚ ኢሎም። “ንህወሓት ዘግለለ እዩ ዝብል ኣዚዩ ዝተጋገየ እዩ።ምኽንያቱ ዶ\/ር ሊያ ታደሰ ገብረመድህን ተወላዲት ክልል ትግራይ እየን።ብሄረን ትግራይ እዩ።ናብ ምቑፃር ደም ምእታው ከየድለየ ኣብ ሹመት ካብኔ ክልል ትግራይ ህዝቢ ትግራይ ዝህልዎ ኣበርኽቶ ብዘማልእ ኣገባብ ዝቐረበ እዩ።” ኣብ መወዳእታ መዝነት እቶም ሚንስትራት ኣብ ፓርላማ ካብዝተረኸቡ 298 ኣባላት ቤት ምኽሪ ብ21 ድምፂ ተቓውሞ ብብዝሒ ድምፂ ፀዲቑ’ሎ።ኣቶ ፀጋ ኣራጌ ኮሚሽነር ኮሚሽን ስነ ምግባርን ፀረ ብልሽውናን ፌደራል ክኾኑ ንዝቐረበ ሽመት ብ11 ተቓውሞ ብብዝሒ ድምጺ ሓሊፉ።ንኣባላት ቦርድ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ድምጺ ዘፅደቐ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ሹመት ኣባል ቦርድ ዳንኤል ክብረት ርሱን ክትዕ ብምክያድ ብ148 ደገፍን ብ126 ተቓውሞን ኣፅዲቑዎ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%88%8B%E1%88%9B-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%88%A8%E1%89%A1-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%88%BD%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8C%BD%E1%8B%B2%E1%89%91\/5326410.html"} {"headline":"ኤርትራ፡ ካብ ኣርባዕተ ሃገራት ዝኣትው ገያሹ ክውሸቡ ሓቲታ","content":"ኤርትራ ካብ ሃገራት ቻይና፡ኢጣልያ፡ደቡብ ኮርያን ኢራንን ብቐጥታ ኾነ ብትራንዚት ናብ ኤርትራ ዝኣትው ገያሹ ክውሸቡ ሓቲታ’ላ። ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ክሳብ ሕጂ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ከምዘየለ እንተኾነ ኤርትራ ብኣየር፣ብመሬትን ባሕርን ጽልዋ ናይቲ ሕማም ምስ ዝተራእየለን ሃገራት ትዳወብ ብምዃና ናይ ምክልኻል ስራሕ ምስራሕን ንእንተታት ድልው ምኳንን ግዚኡ ዝጠለብ ምኳኑ ብምሕባር እቲ ሕማም ካብ ዝተራእየለን ሃገራት ዝመጹ ገየሾ ኣብ መወሸቢ ከምዝጸንሑ ኣፍሊጡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ’ቲ መግለጺ ኣብዚ ምንባብ ይክኣል። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%AD%E1%89%A3%E1%8B%95%E1%89%B0-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%8D-%E1%8C%88%E1%8B%AB%E1%88%B9-%E1%8A%AD%E1%8B%8D%E1%88%B8%E1%89%A1-%E1%88%93%E1%89%B2%E1%89%B3\/5326333.html"} {"headline":"ንጋዜጠኛ፣ ተጋዳሊትን ፖለቲከኛን ነጻነት ኣስፋው ዝዘከረ መደብ","content":"ኣብ ኣውሮጳ ኣባል ማሕበር ተጋሩ ኣብ ስሳታት ዝነበረት ጋዜጠኛ ዶቼ ቬለ ነጻነት ኣስፋው፣ ካብ’ቶም ሾኡ ኣብ ኣውሮጳ ይንቀሳቀሳ ዝነበራ ፖለቲካዊያን ውድባት ኢትዮጵያ ‘ብመሰረት ንሕቶ ህዝቢ ኤርትራን ንዴሞክራሲያዊን ፍትሓዊን ሕቶታት ህዝቢ ኢትዮጵያ ቅኑዕ መልሲ ዝሃበ ውድብ ኢላ ንናይ ሽዑ ተሓህት ናይ ሎሚ ህወሓት መሪጻ ኣባል ከምዝኾነት’ ዶ\/ር ገብረኣብ ባርናባስ ይዛረቡ። ንወ\/ሮ ነጻነት ኣስፋው ‘ንእሽተይ ሓፍተይ’ ኢሎም ዝጽውዕዋ ዶ\/ር ተወልደብርሃን ገ\/ሄር ብወገኖም ‘ካብ ገጸር ናብ ዓድዋ እንዳ ነጻነት (እንዳሓትኖኦም) ኣትዮም ኣብ ሓንቲ ገዛ ከምዝዓበዩን’ ይጠቕሱ። ‘ኣብ 1972 ኣብ ካርቱም ኢና ምስ ነጻነት ተራኺብናን ተላሊናን’ ትብል ናይ ቃልሲ መሓዛኣ መብራት በየነ ብወገና ‘ተፈለሊና ናብ በረኻ ምስ ወረድና ኣብ ሓደ ስፍራ ንድቅስ ነይርና፣ ኣብ ሓደ ክፍሊ’ውን ተመዲብና ንሰርሕ ኔርና’ ብምባል ንተዘክሮኣ ትገልጽ። ኣብ መበል 75 ዓመታ ዝዓረፈት ጋዜጠኛ፣ ተጋዳሊት ህወሓትን ኣባል ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያን ዝነበረት ወ\/ሮ ነጻነት ኣስፋው ስነ ስርዓት ቀብራ ትማሊ ሰሉስ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት መቐለ ከምዝተፈጸመ ዝዝከር'ዩ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/netsanet-asfaw-german-radio-ethipia-former-rebel-politician\/5324643.html"} {"headline":"ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ብልጽግና ፓርቲ ውድባዊ ኣሰራርዕኡ ከሓይል ይግባእ ኢሎም","content":"ዝንቡዑን ንህዝብታት ኢትዮጵያ ንሓድሕዶም ዘባልዕ ዘናቁር ኣተሓሳስባ ካብ ሱሩ ክመሖ ኣለዎ ክብሉ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ገዱ አንዳርጋቸው ተዛሪቦም። ነዚ ንምግባር ኸአ ኣብ ሓባራዊ አጀንዳ ዝተመስረተ ድልዱል መሓውር ክንሃንጽ ምስ እንክእል’ዩ ኢሎም። ኣቶ ገዱ ነዚ ዝበሉ ኣብ ደቡብን ሰሜንን ወሎ ንልዕሊ ክልተ ሽሕ (2,000) ማእከሎት ኣመራርሓ ብልጽግና ፓርቲ ክወሃቦም ዝጸንሓ ስልጣና ኣብ ዝተዛዘመሉ’ዩ። እቲ ኣብ ደቡብን ሰሜን ወሎ ከተማ ደሴ ኣብ መንጎ ምምሕዳር ብሄረሰባት ዋግምራን ኦሮሞን ንዝርከቡ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ማእከሎት ኣመራርሓ ብልጽግና ፓርቲ ኣብ ዙርያ ሕገ ሰረት’ቲ ፓርቲን ሕልው ኩነታት’ታ ሃገርን ክወሃቦም ዝጸንሓ ስልጠና ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን’ዩ ተዛዚሙ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%8C%88%E1%8B%B1-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%8B%B3%E1%88%AD%E1%8C%8B%E1%89%B8%E1%8B%8D-%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%8C%BD%E1%8C%8D%E1%8A%93-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%8A%A3%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%88%AD%E1%8B%95%E1%8A%A1-%E1%8A%A8%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D-%E1%8B%AD%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%8A%A5-%E1%8A%A2%E1%88%8E%E1%88%9D\/5323166.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ነበርቲ ደቡብ ክልል ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም","content":"ንሕና ኢትዮጵያዊያን ተሳዒርና ኣይንፈልጥን ኣብ ታሪኽ ኾነ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝትንክፈና ኹሎም ክደቑ’ዮም፡መጻኢኦም ውድቐት’ዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ተዛሪቦም። ንሉኣላዊነቱ ድሕነቱን ኣሕሊፉ ዝህብ ኢትዮጵያዊ የለን ዝበሉ እቶም ቀ\/ሚ ንደልዮ ሰላምን ፍቕርን ብልጽግና’ዩ ንዝኾነ ክንትንክፍ ኣይንደልን እንተተንኪፎምና ግን ስቅ ኣይንብልን ኢሎም ኣለው።እቶም ቀ\/ሚ ነዚ ዝበሉ ኣብ ክልል ደቡብ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን ምኳኑ ተገሊጹ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/5321785.html"} {"headline":"ቅድመ ምርጫ ፖለቲካዊ ምብርባራት፣ጥርዓናት ተቓወምትን መልሲ ኮሚሽን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያን (3ይ ክፋል)","content":"ኮሚሽን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ 23 ነሓሰ 2012 ዓ\/ም ዝካየድ ምርጫ ሰላማዊ፣ዴሞክራሲይዊ፣ተኣማኒን ኣሳታፊን ንክኸውን ዘድሊ ቅድመ ምድላው ይግበር ከምዝፀንሐን ከምዝቐፀለን ኣባል ኮሚሽን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዶ\/ር ጌታሁን ካሳ ገሊፆም። ቦርድ ምርጫ ብመሰረት ዘውፅኦ ሰሌዳ ግዜ ወፍሪ ምርጫ ዝካየደሉ እዋን ካብ 21 ግንቦት ክሳብ 18 ነሓሰ 2012 ዓ\/ም እንተኾነ እውን ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት የካይድዎ ዘለው ወፍሪ ምርጫ ዝመስሉ ምብርባራት ብዝምልከት ክስታት ከምዝቐረቡን ቦርድ ምርጫ እውን ኣብ ሓባራዊ መድረኽ ንኹሎም ፖለቲካዊ ውድባት ከምዘተሓሳሰቦምን በዚ ዘይግዛእ እንተሃሊዩ ግን ኣድላይ ዘበለ ስጉምቲ ከምዝወስድን ዶ\/ርጌታሁን ገሊፆም። ተቓወምቲ ውድባት ብገዛኢ ፓርትን ኣካልት መንግስትን ይወርደና ኣሎ ዝበሉዎም መረረታት መልሲ ክህብሉ ንክልላዊ መንግስታትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ደብዳቤ ምፅሓፎም ገሊፆም። ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-the-road-to-election-and-opposition-parties-complaints-part-three\/5321573.html"} {"headline":"ካብ ኬንያ ናብ ኢትዮጵያ ዝምለስ ኣንበጣ በረኻ ብዕስለ ይረአ ምህላው ተገሊጹ","content":"ካብ ኬንያ ናብ ኢትዮጵያ ዝምለስ ዘሎ ኣንበጣ በረኻ ሎሚ’ውን ብብዙሕ ዕስለ ይረአ ምህላው ተገሊጹ። ነዚ ዕስለ ኣንበጣ ንምምካት ዝሓየለ ናይ ምክልካል ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ’ውን ሓደ መራሒ ስራሕ ኣፍሊጦም። ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ኣብ ስራሕ ሕርሻን ጊዜ ሰብ ሞያን ገንዘብን ዓብይ ተጽዕኖ የሕድር ምህላው’ውን ተሓቢሩ’ሎ። ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ ስራሕ እንዳሃለው ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ኣብ ሚንስትር ሕርሻ ዳይሬክተር ዳይሬክተሮት ኣቶ ዘብዴዎስ ሰላቶ እቲ አንበጣ በረኻ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣትሒዙ ካብ ኬንያ ናብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዝተፈላልየ ከባቢታት ይረአ ኣሎ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ እውን እንተኾነ ንምክልኻሉ ዝግበር ዘሎ ስራሕ ሓይሉ ይቕጽል ከምዘሎ’ውን ገሊጾም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%AC%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%88%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%8C%A3-%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%8A%BB-%E1%89%A5%E1%8B%95%E1%88%B5%E1%88%88-%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%8A%A0-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5316901.html"} {"headline":"ቅድመ ምርጫ ፖለቲካዊ ምብርባራት፣ጥርዓናት ተቓወምትን መልሲ ገዛእቲ ውድባትን ቦርድ ምርጫን ኣብ ኢትዮጵያ (1ይ ክፋል)","content":"ቅድሚ ኣስታት ክልተ ዓመታት ዶ\/ር ኣብይ ኣህመድ ናብ ስልጣን ዘምፅአ ለውጢ ስዒቡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ለውጥታት መፂኦም እዮም።ኢትዮጵያ ድሕሪ 28 ዓመታት ንፈለማ ግዜ ኢህወዴግ ዘይብሉ ምርጫ ንምክያድ ማዕልቲ ተቖሪፁ ኣብ ምቅርራብ ትርከብ። ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ብመሰረት ዘውፅኦ ናይ ግዜ ሰለዳ ምርጫ ዝካየደሉ ዕለት 23 ነሓሰ 2012 ዓ\/ እዩ። ወፍሪ ምርጫ ብወግዒ ዝጅመረሉ እውን 21 ግንቦት 2012 ዓ\/ም ክኸውን ተወሲኑ’ሎ። ብርክት ዝበሉ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ዝንቀሳቐስሉ ፖለቲካዊ ባይታ ኢትዮጵያ፤ፖለቲካዊ ኣኼባታትን ምልዕዓላትን ንምክያድ ቅድሚ ሎሚ ኢህወዴግ ኣብ ስልጣን እናሃለወ ይስምዑ ዝነበሩ መረረታት ሎሚ እውን ምስምዖም ኣይተረፈን። ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት ምስ ህዝቢ እናተራኸቡ ዘካይዱዎም ዘለው ኣኼባታት ናይ ወፍሪ ምርጫ ዝመስሉ ዘረባታትን መልእኽትታትን ይስምዑ ብምህላዎም ካብ ሕጊ ወፃኢ ወፍሪ ዝጀመሩ ኣለው ኢሎም ቅሬታታት ዘስምዑ ወገናት እውን ኣለው። ክስታትን ቅሬታትን ካብ መንጎ ዘቕረቡ ውድባት ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ\/ኢዜማ\/፣ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንረስ፣\/ኦፌኮ\/፣ግንባር ሓርነት ኦሮሞ\/ኦነግ\/፤ፓርቲ ዴሞክራሲያዊ ምትሕብባር ትግራይ፣ናይ ዓረና ትግራይን ሳልሳይ ወያነ ትግራይን ገሊኦም እዮም።መልሲ መንግስትን ገዛእቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ እውን ቀሪቡ’ሎ። ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-the-road-to-election-and-opposition-parties-complaints-part-one\/5316808.html"} {"headline":"'ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ዝካየድ ልዝብ ክቐላጠፍ ትገብሮ ተፅዕኖ ትኽክል ኣይኮነን' ገዱ ኣንዳርጋቸው","content":"ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ዝካየድ ልዝብ ክቐላጠፍ ትገብሮ ሓደ ሓደ ተፅዕኖ ትኽክል ኣይኮነን ክብሉ ናይ ኢትዮጵያ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ገዱ ኣንዳርጋቸው ገሊፆም።ካብ ተዓዛቢነትን ኣንጋዲትን ዝወፁ ናይ ኣሜሪካ ኣካይዳታት ዝግባእ ከምዘይኮነ እውን ኣብሪሆም። ኣሜሪካ ኣብ መንጎ ሰለስቲኣን ተላዘብቲ ሃገራት ስምምዕ ክብፃሕ ትፃወቶ ኣወንታዊ ተራ ግን ክቕፅል ንደልይ ኢና ኢና ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%88%8D%E1%8B%9D%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%89%90%E1%88%8B%E1%8C%A0%E1%8D%8D-%E1%89%B5%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%AE-%E1%89%B0%E1%8D%85%E1%8B%95%E1%8A%96-%E1%89%B5%E1%8A%BD%E1%8A%AD%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8A%AE%E1%8A%90%E1%8A%95-%E1%8C%88%E1%8B%B1-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%8B%B3%E1%88%AD%E1%8C%8B%E1%89%B8%E1%8B%8D-\/5313606.html"} {"headline":"ኮረና ቫይረስ ካብ ዝተራእየለን ሃገራት ናብ ኢትዮጵያ ንዝኣተው ልዕሊ 900 ሰባት ክትትል ይገብረሎም ከምዘሎ ተገሊጹ","content":"ኮረና ቫይረስ ካብ ዝተራእየለን ሃገራት ናብ ኢትዮጵያ ንዝኣተው ልዕሊ 900 ሰባት ክትትል ይገብረሎም ከምዘሎ ትካል ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተው ተጉዓዝቲ ን14 መዓልታት ተፈሊዮም ክትትል ዝተገበረሎም 750 ሰባት ናብቲ ሕብረተሰብ ከምዝተሓወሱን ካልኦት 932 ሰባት ግን ክትትል ይግበረሎም ከምዘሎን እቲ ኢንስቲትዩት ሎሚ ኣብዝሃቦ መግለፂ ኣፍሊጡ። ብምድሪን ብሰማይን ንዝኣትው ናይ ምፍላይን ናይ ምርመራን ስራሓት ሓይሎም ምቕፃሎም፣ካብ ትካል ጥዕና ዓለም ዝውሃቡ ናይ መከላኸሊ እታዎታት እውን ንክልላትን ንሆስፒታላትን ይከፋፈሉ ከምዘለው ናይቲ ትካል ዋና ዳይረክተር ዶ\/ር ኤባ ኣባተ ገሊፆም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%A8%E1%8A%93-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%A5%E1%8B%A8%E1%88%88%E1%8A%95-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%8B%8D-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-900-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%89%B5%E1%88%8D-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5313566.html"} {"headline":"መርማሪት ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ብመግሃስቲ መሰረታዊ መሰላት ትኹንን","content":"ነዚ ምላሽ ዝሃበ ኣብ ጀነቫ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣቶ ተስፋሚካኤል ገራህቱ፡ እቲ ሪፖርት ፖለቲካዊ መበገስታ ዘለዎ ንኻልእ ሕማቕ ዕላማ ዝቐንዐ`ዩ ክብል ጸዊዕዎ ፍልይቲ መርማሪት ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዳኒኤላ ክራቨዝ፡ ንኤርትራ ብመግሃስቲ መሰረታዊ መሰላት ናጽነትን ናጽነት ሃይማኖትን፡ ደረት ብዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ሰፊሕ መግሃስቲ ኮኒና። እቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ብመግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ትኽሰስ ኤርትራ፡ ድሕሪ`ቲ ኣብ 2018 ምስ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም፡ ጽገናዊ ለውጢ ክተርኢ ተስፋ እንተነበረ``ኳ ኣይተተግበረን ይብል ። እቲ ጸብጻብ፡ ብዘይፍርዲ ማእሰርቲ፡ መስወርትን ጾታዊ መደልን መስቀይትን ዝርከቦ ሰፊሕ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝረኸበ`ዩ ዝገልጽ። ፍልይቲ መርማሪት ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዳኒኤላ ክራቨዝ፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ናጽነት ዝገብሮ በደል ዘሕዝን`ዩ ትብል። ብዘይ ፍቓድ መንግስቲ ሃይማኖቶም ዝስዕቡ፡ ከምኡ`ውን እቶም ሰዓብቲ`ቶም ብመንግስቲ ኣፍልጦ ዘይብሎም እምነታት ከምዝእሰሩ ትግልጽ ሚስ ክራቨዝ፡ ተኸተልቲ እምነት እስምና`ውን ዒላማ ከምዝኾኑ፡ ከምዝተሓዙን ከምዝእሰሩን ትገልጽ። ኤርትራ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎታ ለውጢ ዘይምግባራ ብቑዕ ምኽንያት ከምዘይረኸበትሉ ትገልጽ ፍልይቲ መርማሪት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ኤኮኖሚ ንፈጠራ ስራሕ ኣይፈቅድን ወይ ምውሳኽ ደሞዝ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝብል ምኽንያት ብቑዕ ክኸውን ኣይክእልን ትብል። “ኣብ ኤኮኖሚያዊ ለውጢ ዘይምርኮስ፡ሰበ-ስልጣን ክወስድዎ ዝኽእሉ ቅልጡፍ ስጉምቲ ኣሎ። ንሱ ድማ፡ ንኣስገዳድ ምልመላ ዝግበር ምግፋፍ መንእሰያት ጠጠው ምባል፡ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ካብ ወተሃደራዊ ምልመላ ምፍላይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ተዓለምቲ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ መግሃስቲ ዝከላኸል ሜላ መቆጻጸሪ ምቕማጥ ዝኣመሰለ ክኸውን ይኽእል።” ካትረዝ ኩሎም ናይ ፖለቲካ ኮነ ናይ ሕልና እሱራት ይፈትሑ ትብል። ሰባት ንመንግስቲ ብምቅዋሞም ብዘይፍርዲ ይእሰሩ ዝበለት ካትረዝ፡ መብዛሕቲኡ ግዜ ን10`ታት ዓመታት ብዘይ መስርሕ ፍርዲ ወይ ዕረፍቲ ይእሰሩ ኢላ። ነዚ ምላሽ ዝሃበ ንናይ ጀነቫ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኤርትራ ኣቶ ተስፋሚካኤል ገራህቱ፡ እቲ ሪፖርት ፖለቲካዊ መበገስታ ዘለዎ ንኻልእ ሕማቕ ዕላማ ዝቐንዐ`ዩ ክብል ጸዊዕዎ። ኣተሓሒዙ፡ እቲ ናይ ፍልይቲ መርማሪት ሪፖርት፡ ንሃገሩ ብኣሉታዊ ምስሊ ዘቕርብን ንዝኾነ ኣወንታዊ ፍጻመታት ሃገሩ ዘየንጸብርቕን ከምዝኾነ ገሊጹ። . ኤርትራ ድሕሪ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ግጭት ኣብ ሰላም ትርከብ ሃገር`ያ ዝበለ ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ፡ ኤርትራ ብሰንኪ `ቲ ዝሓለፈ ናይ ግጭት እዋን ዘለውዋ ብዙሓት ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ጸገማት ንምፍታሕ ኣብ መስርሕ`ያ ትርከብ ዘላ-እዚ ድማ ብሃታሃታ ዝዕረ ኣይኮነን ኢሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5313544.html"} {"headline":"ቤት ምኽሪ ሚንስትራት ኢትዮጵያ ንግድብ ህዳሴ ዝምልከት ጉዳይ ንረብሓን ጽልየትን ኢትዮጵያ ምስ ዝህልው ጥራይ ከምዝካየድ ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ጉዳይ ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዝተዘራረበ ቤት ምኽሪ ሚንስትራት ኢትዮጵያ ዝኾነ ይኹን ጉዳይ ንድልየትን ረብሓን ኢትዮጵያ ምስ ዝህልው ጥራሕ ከምዝካየድ ኣፍሊጡ። ብቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ቤት ምኽሪ ሚንስትራት ኢትዮጵያ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብዘካየዶ ኣኼባ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሃገራዊ ረብሓ ዝትንክፍ ልዝብ ኣየካይድን ኢሉ’ሎ። ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ግብፅን ሱዳንን ዝካየድ ልዝብ ብተዓዛቢነት ክከታተል ዝፀንሐ ናይ ኣሜሪካ ገንዘብ ሚንስትር ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብዘውፅኦ መግለፂ 19ን 20ን ለካቲት 2012 ዓ\/ም ምስ ሚንስትራት ወፃእን ማይን ሱዳንን ግብፅን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ብምርኻብ ምዝርራቦም ብምግላፅ ክሳብ ሎሚ ዝተበግሩ ፃዕርታት ኣድኒቑ’ሎ። መግለፂ ሚንስትር ገንዘብ ኣሜሪካ ሕጂ ብዘለዎ ኩነታት ኣብ ስምምዕ ከይተበፅሐ እቲ ግድብ ናይ ምምላእ ስራሕ ከይጅምርን ሓይሊ መብራህቲ ናይ ምምራት ፈተነ ከይካየደን ኣተሓሳሲቡ’ሎ ። ነዚ ስዒቡ ናይ ኢትዮጵያ ሚንስትራት ወፃኢን ማይ፣ መስኖን ኢነርጅን ብሓባር ኣብዘውጽእዎ መግለፂ ነዚ ብናይ ኣሜሪካ ሚንስትሪ ገንዘብ ዝወፀ መግለፂ ኢትዮጵያ ዘይተሳተፈትሉ ኣኼባ ስዒቡ ዝወፀ እዩ ክብል ብዝለዓለ ቅሬታ ከምዝሪኡዎ ገሊፆም። ኢትዮጵያ እቲ ኣኼባ ንኻልእ እዋን ክናዋሕ ቅድም ክብል ንግብፂ፣ንሱዳንን ንኣሜሪካን ከምዘፍለጠት ዝሓበረ መግለፂ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ወናኒት ናይቲ ግድብ ዝኾነ ኢትዮጵያ ብመሰረት ስምምዕ መምርሒታት፤ ምምላእ ናይቲ ግድብ ጎኒ ንጎኒ እቲ ህንፀት ብመትከላት ፍትሓውን ምኽንያታውን ኣጠቓቕማን ዓብዩ ጉድኣት ብዘይምብፃሕን ክትፍፅሞ እዩ ዝኸውን ኢሉ’ሎ። እቲ መግለፂ ብምውሳኽ ናይቲ ግድብ ናይ መጀመሪያ ምምላእን ምስዳድን ማይ ስርዓትን ኣሰራርሓን ንምድላው ዝካየድ ልዝብ ተዛዚሙ ብዝብል ዝተውሃበ መግለፂ ኢትዮጵያ ኣይክትቕበሎን ኢሉ’ሎ። መግለፂ ኢትዮጵያ ወሲኹ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ግብፂ ፈሪማትሉ ዝተባህለ ረቂቕ ናይ ሰለስቲአን ሃገራት ጉጅለታት ልዝብ ይኹን ሕግን ቴክኒክን ዝርርብ ውፅኢት ኣይኮነን፤እቲ ልዝብ ኣይተዛዘመን ኢሉ’ሎ ። ብምቕጻል እቲ መግለጺ ኢትዮጵያ፣ግብፅን ሱዳንን ብዝፈልጥኦንን ብዝተሰማምዓሉን ናይ መብርሂታት መግለፂ መሰረት ኩሉ ድሕንነት ናይቲ ግድብ ዝምልከቱ ጉዳያት ብዓለምለኸ ሰብ ሞያ ዝተወሃቡ ምክረ ሓሳባት ምፍፃማ ክትቕፅለሉ እያ ኢሉ’ሎ ። እቲ መግለፂ ናይ ኢትዮጵያ ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ናይ መጀመሪያ ምምላእን ምስዳድ ማይን መምርሕን ስርዓትን ንምድላው ዝተረፉ መሰረታዊ ኣፈላላያት ንምፍታሕ ኢትዮጵያ ምስ ግብፂን ሱዳንን ዝጀመረቶ መስርሕ ንምቕፃል ድልውቲ እያ ኢሉ’ሎ ። ኣሜሪካ ኣብ መንጎ ሰለስቲኣን ሃገራት ዘሎ ልዝብ ናይ ምክትታል መርገፂኣ ከምትቕፅለሉን ኣብ ናይ መወዳእታ ስምምዕነት ንምብጻሕ ዝክኣላ ኩሉ ከምእትገብርን ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ዝወፀ ናይ ኣሜሪካ ሚንስትር ገንዘብ መግለፂ ሓቢሩ’ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%88%A8%E1%89%A5%E1%88%93%E1%8A%95-%E1%8C%BD%E1%88%8D%E1%8B%A8%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%9D%E1%88%85%E1%88%8D%E1%8B%8D-%E1%8C%A5%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5311896.html"} {"headline":"መንግስቲ ክልል ትግራይ ን2,332 ተአረምቲ ሕጊ ብይቕሬታ ምፍትሑ ተገሊጹ","content":"መንግስቲ ክልል ትግራይ ን2,332 ተአረምቲ ሕጊ ብይቕሬታ ክፍትሑ ወሲኑ:: ብይቕሬታ ክፍትሑ ካብ ዝተወሰነሎም እቶም 25 ኤርትራውያን ምዃኖም ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ትግራይ ኣፍሊጡ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%952-332-%E1%89%B0%E1%8A%A0%E1%88%A8%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%89%A5%E1%8B%AD%E1%89%95%E1%88%AC%E1%89%B3-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%91-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5308789.html"} {"headline":"ኮሮና ቫይረስ ንፈለማ ጊዜ ኣብ ናይጀርያ ምርካቡ ተገሊጹ","content":"ኮሮናቫይረስ ኣብ ዙሪያ ዓለም ምስፍሕፍሑ ቀፂሉ’ሎ።ኣብ ትሕቲ ስሃራ ኣፍሪቃ ናይጀሪያ ንፈለማ ግዜ እቲ ቫይረስ ዘለዎ ሰብ ምርካቡ ሰበስልጣን ናይጀሪያ ኣረጋጊፆም ኣለው። እቲ ቫይረስ ዘለዎ ሰብ ኢጣልያዊ ኮይኑ ኣብ ናይጀሪያ ዝነብርን ኣብዚ ሰሙን እዚ ካብ ሚላን ናብ ሌጎስ ዝተመለሰ ምዃኑን ተሓቢሩ’ሎ። ኒውዚላንድ፣ሉትዋኒያ፤ሜክሲኮንን ኢስቶናንያን እቲ ቫይረስ ናብ ሃገርን ምእታው ኣፍሊጠን ኣለዋ። ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ\/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝኾነት ትኹን ሃገር ካብቲ ቫይረስ ውሕስቲ ክትኸውን ኣይትኽእልን ኢሎም። ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ማታመላ ሲሪል ራማፎሳ ማእኸል ስሕበት እቲ ሕማም ኣብ ዝኾነት ናይ ቻይና ከተማ ዉሃን ዝርከቡ ልዕሊ 130 ደቡብ ኣፍሪቃዊያን ናብ ሃገሮም ክመልሱ ንሰበስልጣን ሃገሮም ኣዚዞም ኣለው። ዕዳጋ ዓለም ብሰንኪ እዚ ቫይረስ ሪእይዎ ንዘይፈልጥ ኪሳራ ተቓሊዑ’ሎ። ብመሰረት ፀብፃባት ውድብ ጥዕና ዓለም ክሳብ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ቻይና 2,790 ዝሞቱ ሓዊሱ 83,000 ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ኣለው።ካብ ቻይና ወፃኢ ኣብ 49 ሃገራት 4,351 በቲ ቫይረስ ዝተታሓዙ 67 ድማ ዝሞቱ ተመዝጊቦም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%95%E1%8D%88%E1%88%88%E1%88%9B-%E1%8C%8A%E1%8B%9C-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%93%E1%8B%AD%E1%8C%80%E1%88%AD%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%AB%E1%89%A1-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5308773.html"} {"headline":"ዙር ሩዋንዳ: ናትናኤል ብጫ ማልያ ዓቂቡ","content":"ኣብቲ ሎሚ ካብ ሙሳንዘ ናብ ሙሃንጋ ዝተኻየደ 127.3 ኪሎ ሜተር ዝሸፈነ ሻድሻይ መድረኽ ዙር ሩዋንዳ ኮሎምብያዊ ዮናታን ቫለንስያ ቀዳማይ፡ ስዊዘርላንዳዊ ፓትሪክ ሸሊንግ ካልኣይ ከምኡ’ውን ካልእ ኮሎምብያዊ ካርሎስ ኮንተሮ ነይሮ ሳልሳይ ደረጃ ሒዞም ነቲ ውድ ር ፈጺሞሞ። ኣባል ክልብ ኒፖ ደልኮ ኢትዮጵያዊ ክንፈ ሃይለሚካኤል ድማ ሻብዓይ ደረጃ ሒዙ ነቲ ናይ መድረኽ ውድድር ፈጺሙ። ዛጊት ኣብ ብጫ ማልያ ዝመጸ ለውጢ እኳ እንተዘየለ፡ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ብጫ ማልያ ዓቂቡ ናብ ዝቕጽል መድረኽ ተሰጋጊሩ’ሎ። ብተመሳሳሊ ዳዊት የማነ ናይ ብሉጽ ቅጽበታዊ ተጻዋታይ ማልይኡ ዓቂቡ ኣሎ። ብሓፈሻ ክርአ ከሎ እዚ መድረኽ’ዚ ሓያል ብድሆ ዝነበሮ ብምንባሩ መሪሕነት ናትናኤል ናይ ብጫ ማልያ ናብ ልዕሊ ሓደ ደቒቕ ጥራይ ክወርድ ክኢሉ ኣሎ። ሩዋንዳዊ ሞይስ ሙጊሻ ንናትናኤል ኣጥቂዑ ሓያል ምንቅስቓስ ብምርኣይ ድሮ ነታ ኣብ ዝባን ናትናኤል ዘላ ብጫ ማልያ ክመጣጠራ ክኢሉ ኣሎ። ሓደ ካብቶም ኣብቲ ጽባሕ ዝካየድ ናይ ግዜ ማለት ናይ ክሮኖመተር ውድድር ኣንጸባራቒ ዓወት ከመዝግብ ይኽእል’ዩ ተባሂሉ ዓቢ ግምት ተዋሂብዎ ዘሎ ተወዳዳራይ’ውን እዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%99%E1%88%AD-%E1%88%A9%E1%8B%8B%E1%8A%95%E1%8B%B3-%E1%8A%93%E1%89%B5%E1%8A%93%E1%8A%A4%E1%88%8D-%E1%89%A5%E1%8C%AB-%E1%88%9B%E1%88%8D%E1%8B%AB-%E1%8B%93%E1%89%82%E1%89%A1\/5308350.html"} {"headline":"'ዓባይ ሃገር ከይፈጠርካ ዓብዪ ህዝቢ ምፍጣር ስለዘይክኣል ቀዳማይ ተግባርና ንኢትዮጵያ ምህናፅ'ዩ' ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ","content":"ኣብ ክልል ደቡብ ዞባታት ካምባታ፣ጣምባሮን ሃላባን ትማሊ ረቡዕ ምስ ህዝቢ ዝተዘራረቡ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ዓባይ ሃገር ከይፈጠርካ ዓብዪ ህዝቢ ምፍጣር ስለዘይክኣል ቀዳማይ ተግባርና ንኢትዮጵያ ምህናፅ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም ። ንሶም ወሲኾም’ተዋጊእናን ተኸፋፊልናን ዝኸሰበናዮ ድኽነትን ድሕረትን ስለዝኾነ ካብኡ ወፂእና ሎሚ ንነገራት ብህድኣት እንርእየሉ እዋን እዩ’’ኢሎም። ኣብ ዋና ከተማታት ናይተን ዞባታት ከተማታታ ዱራሜን ቁልቶን ምስ ህዝቢ ዝዘተዩ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ምምስራት ዓባይ ሃገር ዝብል ሓሳብ ኣስሚሮምሉ። “ምምስራት ዓባይ ሃገር ረብሕኡ ንኹላትና ምዃኑ ክንርዳእ ኣለና። ብዘይካ ዓባይ ሃገር ዓብይ ህዝቢ ኣይህሉን።ውልቀሰብ ንማሕበረሰብ ከፍርስ የብሉን ማሕበረሰብ እውን ንሃገር ክፍርስ የብሉን።” “ተዋጊእናን ተኸፋፊልናን ሪኢናዮ ዝኸሰበናዮ ድኽነትን ድሕረትን ስለዝኾነ ካብኡ ወፂእና ሎሚ ንነገራት ብህድኣት እንርእየሉ እዋን ኢና ንርከብ” ኢሎም። ቀ\/ ሚ ኣብይ ቀጺሎም ኢትዮጵያ ካብ ድኽነትን ካብ እትርከበሉ ፀገምን ንምውፃእ ሰላማዊ ኣገባብ ምኽታል ከምዝግባእ ገሊፆም።ንድኽነት ምጥፋእ፣ምዕዋትን ንምብልጻግን ዝክኣል ብሓባር ጥራሕ እዩ ኢሎም። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ናይ ከምባታ ጣምባሮ ህዝቢ ኣብ ናይታ ሃገር ታሪኽ ዝነበሮ ተራ ብምጥቓስ ንኢዶም ኣለው። “ከምባታ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ሰናይ ነገር ካብ ዝዘረበልኩም ህዝብታት ብፅቡቕ ካብ ዝልዓሉ ህዝብታት ጣምባሮ፣ምስ ዶምቢ ምንዳፉ ተደሚሩ ለምለም ሃገር ምፍጣር ዝኽኣለ ድንቂ ህዝቢ እዩ።” ኣብ ሃላባ ምስ ህዝቢ ኣብዘካየድዎ ዘተ ህዝቢ ሃላባ ሰላም ኣብ ምሕያል ሃገራዊ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ዶ\/ር ኣብይ ፀዊዖም። ብክልል ናይ ምውዳብ መሰል ብዝምልከት ካብ ነበርቲ ዞባ ካምባታ ጣምባሮ ዝቐረበሎም ሕቶ እቲ ሕቶ ብመፅናዕቲ ንምምላስ ይስርሓሉ ኣሎ ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%89%A3%E1%8B%AD-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8A%A8%E1%8B%AD%E1%8D%88%E1%8C%A0%E1%88%AD%E1%8A%AB-%E1%8B%93%E1%89%A5%E1%8B%AA-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%8C%A3%E1%88%AD-%E1%88%B5%E1%88%88%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8A%AD%E1%8A%A3%E1%88%8D-%E1%89%80%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%88%AD%E1%8A%93-%E1%8A%95%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%8A%93%E1%8D%85-%E1%8B%A9-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5\/5307435.html"} {"headline":"ርእይቶ ምሁራት ኣብ ምምቕራሕ መዝነት ክልል ኣምሓራ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ፡ ዝተኻየደ ሹመት ምሃብን ካብ ስልጣን ምውራድን ስልጣን ምቅይያርን ብዝምልከት እኹልን ብቑዕን መብርሂ ከምዘድሊ ምህራት`ቲ ክልል ኣዘኻኺሮም። ብኻልእ ወገን ፕረዚደንት መምርሒ ኣካዳሚ መለስ ዜናዊ ኮይኖም ብቀ\/ሚ ዝተሸሙ ኣቶ ዮሃንስ ቧያለው ነቲ ሹመት ከምዘይተቐበልዎ ገሊጾም ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ሓያለ ስጉምትታትን ምቅይያራትን ስልጣንን ካብ ዝተኻየደለን ክልላት ክልል ኣምሓራ ብቀዳምነት ከምዝስራዕ ይፍለጥ። ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%88%9D%E1%88%81%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%89%95%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB\/5305878.html"} {"headline":"ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደምቢደሎ ወለጋ ብዝነበረ ዘይምርግጋእ ሃዲሞም ዝነበሩ ተማሃሮ፡ ሰላም ብምዃኑ ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ምምላሶም ሓቢሮም","content":"ካብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙናት ጀሚርና ዳግም ትምህርትና ክንከታተል ጀሚርና ኣለና ዝበለት ተማሃሪት ምሕረት ደማው፡ ንሓደ ወርሒ ኣዕሪፍና ኢና ተመሊስና ትብል። “ምስ መጻና ብዙሕ ዝተመሓየሸ ነገራት`ዩ ጸኒሑና። ናይ ማይ ነገር ተመሓይሹ፡ ከምኡ`ውን ሰላም ኮይኑ ንፈርሖ ነገር የለን ፡ ንኣትው ንወጽእ፡ ቤተ-መጻሕፍቲ ክሳብ ዝደለናዮ ክንጸንሕ ንኽእል፡ መማህራን`ውን ብጽቡቕ ይምህሩና`ለዉ፡ ሕጂ ንፈተና ኢና ንቀራረብ ዘለና”። ካልእ ያሕያ ዓብዱራሕማን ዝተባህለ ተማሃራይ ድማ፡ ዓቢይ ለውጢ`ዩ ዘሎ፡ መማህራን ነቲ ዝኸሰርናዮ ግዜ ንምክሕሓስ ኣብ ናጻ-ግዜኦም ይረባረቡ`ዮም ዘለዉ ይብል። ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ደምቢደሎ፡ ዶ\/ር ለታ ተስፋዬ፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ`ዚ ሰዓት`ዚ ናብ ናይ ቀደም ምርግጋኡ ተመሊሱ`ሎ ኢሉ። ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%89%A8%E1%88%AD%E1%88%B2%E1%89%B2-%E1%8B%B0%E1%88%9D%E1%89%A2%E1%8B%B0%E1%88%8E-%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8C%8B-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%8C%8B%E1%8A%A5-%E1%88%83%E1%8B%B2%E1%88%9E%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%83%E1%88%AE-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%91-%E1%8A%93%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%89%A8%E1%88%AD%E1%88%B2%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%B6%E1%88%9D-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/5305835.html"} {"headline":"ኢትዮጵያዊያን ነበርቲ ደቡብ ኮሪያ ብምስፍሕፋሕ ኮሮናቫይረስ ስግኣት ከምዘለዎም ገሊፆም","content":"ኮሮናቫይረስ ካብ ዝተልዓለላ ቻይና ቀፂላ በቲ ቫይረስ ዝተጠቕዐትን ትጥቃዕን ዘላ ደቡብ ኮሪያ እያ።ክሳብ እዛ ሎማዕንቲ በቲ ቫይረስት ዝተትሓዙ 1,261 ሰባት ክኾኑ ከለው በዝሒ ዝሞቱ ድማ 12 እዮም። ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ተምሃሮ ምስ ኢትዮጵያዊያን ማሕበረሰብን ኤምባሲ ኢትዮጵያን በብእዋኑ ሓበሬታ ይለዋወጡ ከምዘለው ንቪኦኤ ገሊፆም ኣለው። ልዕሊ 1.5 ሚሊዮን ህዝቢ ኣብ ዝነብረላ ናይ ደቡብ ኮሪያ ከተማ ዴጆን ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ሳልሳይ ዓመት ተምሃራይ ዶክትሬት ድግሪ ፔትሮኬሚካል ሓጎስ ብርሃነ እቲ ሕማም ዴጉ ኣብ ዝተብሃለት ከተማ ብዝለዓለ ብርኪ ይጋፋሕ ስለዘሎ ዘተሓሳስብ እዩ ይብል። ናይታ ሃገር መንግስቲ ሓበሬታ በብእዋኑ ከምዝዝርግሕ ብምግላፅ ሰባት ናብ ዝእከብሉ ምኻድ ከምዘይግባእ ከምዝምዓዱን ኩሉ ሰብ ድማ ናይ ኣፍንጫ መሸፈኒ ማስክ ገይሩ ከምዝንቀሳቐስን ይገልፅ።መሸጢ ምግቢ ኣይተዓፀወን ግን ንጥንቃቐ ክብሃል ናይ መመዝገቢ እዋን ዘናውሓ ዩኒቨስርታት ኣለው ኢሉ። ሕዚ ብዘሎ ኩነታት እንታይ ከምዝገብር እንተዘይወሰነ እውን እቲ ኩነታት እናኸፍአ እንተድኣ ከይዱን በረራ እንተድኣ ሃሊዩን ናብ ሃገሩ ንምምላስ ከምዝደሊ ገሊፁ’ሎ። ራብዓይ ዓመት ተምሃራይ ኤሮስፔስን ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ኣተሓባባሪ ሕብረት ተምሃሮን ሮቤል ኣስረስ ኣስታት 60 ተማሃሮ ይገልፅ።ኣብ ይነብሩላ ዘለው ከተማ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ 16 ሰባት ከምዘለው ብምግላፅ ዘፍርሕ ኩነታት እዩ ዘሎ ይብል። ‘’ዘፍርሕ እዩ።እቲ ፅቡቕ ነገር ግን ብፍላይ ኣብ ከተማ ቢጆን እንርከብ ተምሃሮ ናይ ባዕልና ሕብረት ስለዘለና ሓበሬታ ከምፅእ ከሎ እንታይ ዓይነት ጥንቃቐ ክንገብር ከምዘለና ንዘራርብ ኢና’’ ይብል። ብዝተፈላለዩ ናይ ሓበሬታ መለዋወጢ ሜላታት ብምጥቃም ምስ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኮሪያ ከምዝራኸቡ እውን ወሲኹ ገሊፁ። ኣብ ደቡብ ኮሪያ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ሽፈራው ሽጉጤ በዝሒ ኣብ ደቡብ ኮሪያ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ብርግፀኝነት ምዝራብ እንተዘይተኽኣለ እውን 500 ተማህሮ ሓዊሱ ኣስታት 1,100 ኢትዮጵያዊያን ኣለው ተባሂሉ ከምዝእመን ገሊፆም። ምስ ኢትዮጵያዊያን ማሕበረሰብ ብናይ ኤምባሲ ናይ ፌስቡክ ገፅና ኣቢልና ኢትዮጵያዊያን ተምሃሮን ማሕበረሰብን መንግስቲ እታ ሃገር ዝህቦ ሓበሬታ ክከታተሉን ከመይ ዓይነት ፀገም ከጋጥሞም ከሎ ነቲ ኤምባሲ ከፍልጡ፣እቲ ኤምባሲ ኣብ ጎኖም ከምዘሎ ኢና ኣፍሊጥና።ካብኡ ቀፂልና ኣብዚ ዝነብሩ ሓለፍቲ ኮሚኒቲ ኣለው።ንተምሃሮን ነበርትን ብሓባር ምስ ዘተሓባብር ብቐረባ ንሰርሕ ኣለና ኢሎም። እቲ ሕማም ካብ ቁፅፅር ወፃኢ እንተኾይኑ ኢትዮጵያዊያን ካብታ ሃገር ንምውፃእ ክውሰድ ብዛዕባ ዝኽእል ስጉምቲ ተሓቲቶም ክምልሱ ከለው ስርዓት ጥዕና ደቡብ ኮሪያ ኣዚዩ ኣድማዒ ስለዝኾነ ናብኡ ዘብፅሕ እምነት የብለይን፤እቲ ኩነታት ዝምጥን መረገፂ ክንሕዝ ኢና ኢሎም። መሸፈኒ ገፅ ማስክ ብዝምልከት ክምልሱ ከለው መንግስቲ እታ ሃገር ብስፍሓት እናምረተን ዋጋ እውን እናተቖፃፀረን ስለዝኾነ እቲ ስግኣት ከምዝቕረፍ ብምሕባር ጸገም እንተሃሊዩ ግን እናተመኻኸርና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም ኣብ ደቡብ ኮሪያ ኤምባሳደር ኢትዮጵያ ሽፈራው ሽጉጤ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopians-in-south-korea-are-worried-by-the-spread-of-coronavirus\/5305681.html"} {"headline":"ዙር ሩዋንዳ: ድርብ ዓወት ናትናኤል ብጫ ማልያ ኣብ ዝባን ኤርትራውያን ክትቅጽል ደሪኽዋ","content":"ሎሚ ኣብ ዝተኻየደን 206 ኪሎ ሜተር ርሕቐት ዝሸፈነን ራብዓይ መድረኽ ዙር ሩዋንዳ 2020 ብድርብ ዓወት ኤርትራዊ ተቐዳዳማይን መራሒ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ዝኾነ ናትናኤል ተስፋጽዮን ተዛዚሙ። ኣብቲ ካብ ሩስዚ ናብ ሩባቩ ዝተኻየደ ራብዓይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ: ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጼን ምስ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ኣባል ፕሮታችን ሩዋንዳዊ ተቐዳዳማይ ሞይስ ሙግሻ ድሕሪ ዘካየዶ ህልኽ ዝመልኦ ውድድር ቀዲሙ መስመር ፍጻመ ረጊጹ። በዚ ድማ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጽዮን ነታ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ዝለዓለ ክብሪ ዘለዋ ብጫ ማልያ ክዕወተላ ክኢሉ ጥራይ ዘይኮነ: ካብ ናይ ትማሊ ሳልሳይ መድረኽ ዕውት ኤርትራዊ ኣባል ክለብ ኒፖ ደልኮ ዝኾነ ቢንያም ግርማይ ሃይሉ ተቐቢሉ ኣብ ዝባን ኤርትራውያን ክዕቅባ ምኽኣሉ ፍሉይ ገይርዎ ኣሎ። ብመሰረት ወግዓዊ ሰሌዳ ውጽኢት ዙር ርዋንዳ ዕውት ራብዓይ መድረኽን ወናኒ ብጫ ማልያን ዝኾነ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ካልኣይ ንዝወጸ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ከንት መይን ብሓደ ካልኢት ፤ ንሳልሳይ ኮይኑ ዝተዓወተ ሩዋንዳዊ ሞይስ ሙጉሻ ድማ ሸሞንተ ካልኢት ቀዲሙ ነቲ ዝተሰርዐ ራብዓይ መድረኽ ዙር ሩዋንዳ ብምፍጻሙዩ ተዓዋቲ ክኸውን በቒዑ። በዚ ድማ ብጫ ማልያ ብዕውት ራብዓይ መድረኽ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን፤ ቀጠልያ ማልያ ብኤርትራዊ ዳዊት የማነ ብሉጽ ቮላቲስታ ወይድማ ተዓዋቲ ቅጽበታዊ ውድድር ፥ ጻዕዳ ማልያ ብሉጽ ናይ ትሕቲ ዕድመ ተቐዳዳማይ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ኮይኖም ኣብ መሪሕነት ይቕጽሉ ኣለው። ተወላዲ ቺለ ንኣንጎላዊት ክለብ BAI ዝቀዳደም ካርሎስ ኣያሩስ ብሉጽ ናይ ዓቀብ ተባሂሉ ተረቑሑ ኣሎ። ብዘይካ’ዚ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብደረጃ ሃገር ኣብ ዙር ርዋንዳ መሪሕነታ ዓቂባ ትቕጽል ኣላ። ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣቐዲሙ ኣብ ዝተኻየደ ኣብ ዙር ጋቦን ንብጫ ማልያ ብሓንቲ ካልኢት ከሲርዋ ምንባሩ ይዝከር። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%99%E1%88%AD-%E1%88%A9%E1%8B%8B%E1%8A%95%E1%8B%B3-%E1%8B%B5%E1%88%AD%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%B5%E1%8A%93%E1%8A%A4%E1%88%8D-%E1%89%A5%E1%8C%AB-%E1%88%9B%E1%88%8D%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%A3%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%89%85%E1%8C%BD%E1%88%8D-%E1%8B%B0%E1%88%AA%E1%8A%BD%E1%8B%8B\/5305448.html"} {"headline":"‘ንህዝቢ ትግራይ ብኹናትን ምግንጻልን ምልዕዓል፡ ክኹነን ዝግብኦ ናይ ሰብ-ረብሓ ዕላማ`ዩ’- ዓረና ትግራይ","content":"ኣብ ኣዋሳ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ መድረኽ፡ ምኽትል ኣቦ-መንበር ዓረና ኣቶ ጎይትኦም ጸጋይ “ኣብ`ዚ ቐረባ ኣብ ትግራይ ዝልዓሉ ዘለዉ ኩናትን ምግንጻልን ዝብሉ ነገራት ንህዝቢ ክልል ትግራይ ዝጠቕሙ ኣይኮኑን፡ ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ተፈልያ ዝነበረትሉ ዘመን ርኢናን ሰሚዕናን ኣይንፈልጥን” ኢሎም። “ኢትዮጵያውያን ከም ዝተፈናቐሉን ከምዝተጎድኡን እናተፈልጠ፡ ክልል ትግራይ ጥራይ ከምዝተጠቕዐት ጌርካ ምቕራብ፡ ኣቐዲሞም ካብ ኩናት ክርብሑ ዝጸንሑን ሕጂ`ውን ካብኡ ከትርፉ ዝደልዩን ጉጅለታት ሕጂ`ውን ኩናትን ምግንጻልን ይእውጁ ኣለዉ”። ኣብቲ ናይ ኣዋሳ ህዝባዊ መድረኽ ምስ ዓረና ብሓባር ዝቐረቡ ኣቦ መንበር ፈደራላዊ ኮንግረስ ኦሮሞ ፕሮፈሰር መረራ ጉዲና ብወገኖም፡ እታ ሃገር ኣትያቶ ካብ ዘላ ፖለቲካዊ መንቀራቕሮ ንምውጻእ፡ ቅድሚ ምርጫ፡ ቀዳማይ ሚንስትር ሃገራዊ ምርድዳእን ስምምዕን ከምዝፍጠር ክገብር ኣለዎ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%8A%B9%E1%8A%93%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%8A%95%E1%8C%BB%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8A%AD%E1%8A%B9%E1%8A%90%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%8A%A6-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%A8%E1%89%A5%E1%88%93-%E1%8B%95%E1%88%8B%E1%88%9B-%E1%8B%A9---%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%8A%93-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/5303487.html"} {"headline":"ብፕረዚዳንት ጉባኤ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያን ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ኣስመራ ከይኣትው ከምዝተኸልከለ ተገሊጹ","content":"ብፕረዚዳንት ጉባኤ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያን ኣቦ መንበር ኮሚሽን ዕርቀ-ሰላምን ብጹእ ካርዲናል ብርሃነየሱስ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ኣስመራ ከይኣትው ከምዝተኸልከለ ተገሊጹ። ቤት ፅሕፈት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ጳጳስ ሃገረ ስብከት እምደብር ብጹእ ኣቡነ ሙሴን ፀሓፊ ጠቕላሊ ቤት ፅሕፈት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ኣባ ተሾመ ፍቅሬን ዝሓቖፈ እዩ። እቲ ቤት ጽሕፈት ወሲኹ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣስመራ ናይ ዝርከብ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ኪዳነምህረት መበል 50 ዓመት ኢዮቤልዩ ንምስታፍ ብናይ ኣስመራ ሊቀጳጳሳትን ናይ ኤርትራ ካቶሊክ ጳጳሳትን ፕረዚደንት ብፁእ ኣቡነ መንግስተኣብ ብዝቐረበሎም ዕድመ ዝሓለፈ ቀዳም 14 ለካቲት 2012 ዓ\/ም ናብ ኣስመራ ከምዝተጉዓዙ ይገልፅ። ይኹን ደአ እምበር ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣድላዩ ፎርማሊቲ ብምምላእ ንሓደ ወርሒ ዘገልግል ቪዛ ምስተውሃቦም ዝቕበሉዎም ሰባት እናተፀበዩ ከለው ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ሰበስልጣን ኢምግሬሽን ኣስመራ “ካብ ላዕሊ ዝመፀ ትእዛዝ እዩ’’ ብዝብል ናብ ኤርትራ ክኣትው ከምዘይኽእሉ ከምዝተነግሮምን ኣብ ውሽጢ እቲ መዕረፎ ነፈርቲ ን16 ሰዓታት ድሕሪ ምጽናሕ ንጽባሒቱ ሰንበት ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምላሶም ተሓቢሩ’ሎ። እቲ መግለፂ ርክብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተለዊጡ ክልቲኦም ህዝብታት ብነፃነት ክዘዋወሩ ዘኽእሎም ኩነታት ኣብ ዝተፈጥረሉ ሕጂ እዋን ከምዚ ክፍጠር ንኣብያተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ኤርትራን ኣሕዚኑ’ሎ ይብል ።ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ እቲ ጉዳይ ብዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ተፃሪዩ ግልፂ ክኸውን ፃዕሪ ኣብ ምግባር ትርከብ ይብል ወሲኹ። ምስዚ ብዝተኣሳሰር እቲ መግለፂ ‘ኣሰና’ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ተቓወምቲ መንግስቲ ናይ ሳተላይት ቴሌቪዥን ኤርትራ ብጹእ ካርዲናል ብርሃነየሱስ 16 ለካቲት ኣዲስ ኣበባ ቀበና ኣብ ዝርከብ ካቶሊክ ኪዳነምህረት ዓመታዊ ክብረ በዓል “ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተፈጢሩ ዝተባህሃለ ሰላም ሓሶት ምዃኑ ኣረጋጊፅና መፂኢና ኣለና” ኢሎም ተዛሪቦም ብዝብል ዘሕለፎ ሓበሬታ ፍፁም ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ስለዝኾነ ቴሌቪዥን ኣሰና ዝፈነዎ ዝተጋገየ ፀብፃብ ክእርም ሓቲቱ’ሎ ። ርእይቶ መንግስቲ ኤርትራ ንምርካብ ንሰርሕ ኣለና፤ምስረኸብና ክነቕርቦ ኢና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B3%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8C%89%E1%89%A3%E1%8A%A4-%E1%8C%B3%E1%8C%B3%E1%88%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%B6%E1%88%8A%E1%8A%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%89%A4%E1%89%B0-%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B2%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8A%A8%E1%8B%AD%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%8D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%88%88-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5303436.html"} {"headline":"ዙር ሩዋንዳ: ኤርትራዊ ቢንያም ሃይሉ ብጫ ማልያ ተረኪቡ","content":"ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ሃይሉ (ካብ ክለብ ኒፖ ደልኮ) ሎሚ ሶሉስ 25 የካቲት ዝተኻየደ 142 ኪሎ ሜተር ዝሸፈነ ካብ ሁየ ናብ ሩሲዚ ዝተቓንዐ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ሩዋንዳ: ንኮሎምብያዊ ዮናታን ቫለንስያ ተኸቲሉ ካልኣይ ደረጃ ሒዙ ብምዕዋቱን ብሓፈሻዊ 72 ነጥቢ ድማ ኣብ መሪሕነት ብምምጽኡን ነታ ዝኸበረት ብጫ ማልያ ዙር ሩዋንዳ ክርከብ ክኢሉ ኣሎ። ተቐዳደምቲ ሄኖክ ሙሉብርሃንን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ድማ ናይ ሳልሳይን ራብዓይን ደረጃ ሒዞም ነቲ ናይ መድረኽ ውድድር ፈጺሞሞ ኣለው። ብመሰረት ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ዳዊት የማነ ብ 26 ነጥቢ ኣብ ናይ ዓቐበት (ማልያ ንጉስ ዓቐበት) ከምኡውን ብ 16 ነጥቢ ኣብ ናይ ቅጽበታዊ ውድድር (ቀልጠያ ማልያ) ኣብ መሪሕነት ተሰሪዖም ይርከቡ። ተቐዳደምቲ ሄኖክ ሙሉብርሃንን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ድማ ናይ ሳልሳይን ራብዓይን ደረጃ ሒዞም ነቲ ናይ መድረኽ ውድ ር ፈጺሞሞ ኣለው። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዛጊት ዝበለጸት ጋንታ ኮይና ናይ መሪሕነት ቦታ ሒዛ ኣብቲ ውድድር ትቕጽል ምህላዋ ወግዓዊ ሰሌዳ ውጽኢት ዙር ርዋንዳ ይሕብር። ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዙር ርዋንዳ 2019 ተዓዋቲ ምንባሩ ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%99%E1%88%AD-%E1%88%A9%E1%8B%8B%E1%8A%95%E1%8B%B3-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%89%A2%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%88%9D-%E1%88%83%E1%8B%AD%E1%88%89-%E1%89%A5%E1%8C%AB-%E1%88%9B%E1%88%8D%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%88%A8%E1%8A%AA%E1%89%A1\/5303108.html"} {"headline":"ሚንስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ሓመድ ኣልቦ ሕርሻ ኣተኣታትዩ","content":"ቀጠልያ መግቢ እንስሳ ንምውሓስ ሓመድ ኣልቦ ሕርሻ ከምዘተኣታተወ ሚንስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ገሊጹ።እዚ ብማይ ጥራይ ዝካየድ ኣገባብ ሕርሻ 95 ሚእታዊት ማይ ዝቑጥብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ናይ ጉልበት፡ገንዘብን መሬትን ሃልኪ ብምጉዳል ፍርያትን ፍርያምነትን ዘዕቢ ከምዝኾነ ኣብ’ቲ ሚንስትሪ ሕርሻ ኣባል ኣሃዱ ቴክኖሎጂ ሕርሻ ዝኾነ መንእሰይ መሃንድስ መርሃዊ ዓ\/ማርያም ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%88%95%E1%88%AD%E1%88%BB-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%93%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%89%A6-%E1%88%95%E1%88%AD%E1%88%BB-%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%8A%A3%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8B%A9\/5301860.html"} {"headline":"ሃገራዊ ናይ ወለንታ ፕሮግራም ኢትዮጵያ ብወግዒ ተጀሚሩ","content":"ሚንስተር ሰላም ኢትዮጵያ ዘዳለዎ ፕሮግራም ማሕበረሰብ ሃገራዊ ወለንተኝነት ወይ ኣገልግሎት ግብረሰናይ ትማሊ አብ አዲስ አበባ አዳራሽ ሕብረት ኣፍሪቃ ተጀሚሩ። ኣብቲ ምድላው ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ንሃገር ንምግልጋል ጀግንነት ብምኳኑ ዜጋታት ካብ ርእሰ ፍትወት ዝጸረየ ብወለንተኝነት ኣገልግሎት ምሃቦም ክቕጽሉ ተላብዮም። ኣብዚ 10ሺ ወለንተኛታት ዝሳተፍሉ ምዃኑ ዝተሓበረ ሃገራዊ ፕሮግራም ማሕበረሰብ ወለንተኛታት ኣብ ምጅማሩ ዝተረኽቡ ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ነቲ ኣገልግሎት ብኣብነት ኣለልዮም ንዝበልዎ ኣምባሳዳራት ወለንተኝነት ናይ ኣፍልጦ ወረቀት ምስክር ተዋሂቦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8A%95%E1%89%B3-%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8B%88%E1%8C%8D%E1%8B%92-%E1%89%B0%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9\/5301842.html"} {"headline":"አማኻሪ ቁጠባ ቀ\/ሚ ነበር መለስ ዜናዊ ኣቶ ንዋይ ገብረአብ ዓሪፎም","content":"ኣማኻሪ ቁጠባ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ነበር መለስ ዜናዊ ኮይኖም ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገሉ ኣይተ ንዋይ ገብረኣብ ምዕራፎም ቢሮ ርክብ ህዝብ ክልል ትግራይ ዘውፀኦ ሓበሬታ የማላኽት:: ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣማኻሪ ስነ ቁጠባ ኮይኖም ዝገልገሉ ኣይተ ንዋይ ገብረኣብ ብዝሓደሮም ሕማም ክትትል ሕክምና ክገብሩ ድሕሪ ምፅናሕ ሎሚ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም እዮም። ኣይተ ንዋይ ኣማኻሪ ጉዳያት ቁጠባ ቀዳማይ ሚንስትር መለስ ዜናዊን ቀ\/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝን ብምዃን ኣገልጊሎም እዮም። ኣይተ ንዋይ ገብረኣብ ካብዚ ዝተጠቐሰ ስራሕ ወፃኢ ኣብ 1970 ኣብ ልምዓት ባንኪ ኢትዮጵያን ኮሚሽን ፕላንን ንነዊሕ ዓመታት ዝገልገሉ ክኾኑ ከለው ዋና ዳይሬክተር ኢንስትትዩት ፅንዓት ልምዓት ኢትዮጵያን ከምኡ እውን ኣብ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣማኻሪ ብምዃን እውን ሰሪሖም እዮም። ኣይተ ንዋይ ካብ ዩኒቨርስቲታት ኣዲስ ኣበባ ኦክስፎርድን ፈላማይን ካልኣይን ዲግሪኦም ብዓውዲ ስነ ቁጠባ ምምራቖም ይፍለጥ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A0%E1%88%9B%E1%8A%BB%E1%88%AA-%E1%89%81%E1%8C%A0%E1%89%A3-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%88%88%E1%88%B5-%E1%8B%9C%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%8A%95%E1%8B%8B%E1%8B%AD-%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%8A%A0%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%88%AA%E1%8D%8E%E1%88%9D\/5301717.html"} {"headline":"ሰራዊት ኣሜሪካ ንኣፍሪቃ ዝህቦ ሓገዝ ከምዝቕጽሎ የረጋገጽ","content":"መንግስታት ሃገራት ኣፍሪቃ ሃገራቶም ንምውሓስን ንምርግጋእን ንዘካይድዎም ፃዕርታት ኣሜሪካ ከምትድግፎም ኣዘዝቲ ወታሃደራት ኣሜሪካ ኣፍሊጦም።ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ሻሙናይ ኣኼባ ሓይልታት ምድሪ ኣፍሪቃ ወታሃደራት ኣፍሪቃ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላቶም ንምምምሕያሽ ብምፅዋዕ ተዛዚሙ’ሎ። ላዕለዎት ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ ኣሜሪካ ምስ ኣፍሪቃዊያን መዘናታቶም ብምርኻብ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ህውከትን ዘይምርግጋእን ዝከላኸላሉ መንገድታት ተዘራሪቦም ኣለው። ኣብ ቀረባ ዓመታት ካብ ቦኮ ሓራምን ኣል-ሸባብን ዝኣመሰሉ ጉጅለታት ግብረሽበራ ዝመፅእ ስግኣት ወሲኹ’ሎ። ኣብ ኣፍሪቃ ኣዛዚ ሰራዊት ኣሜርካ ጀነራል ሮጀር ክላውቲየር እታ ክፍለ ኣህጉር ኣንፃር ዕጡቓት ጉጅለታት ዝገጥሙ ዝሰልጠኑ ወታሃደራት ክህልዋ ኣለዋ ኢሎም። “ናይ ፅባሕ ድሕነት ናይ ሎሚ መሪሕነት የድልዮ ዝብል መልእኽቲ ምዕቃብ የድልይ።ኣብ ግደ ኣዘዝቲ ሓይልታት ምድሪ ኣፍሪቃ ኢና ክነተኩር ፀኒሕና።ላዕለዎት መራሕቲ ስርዓታት ምክልኻል ከማዕብሉ፣ብስልጠና ዝዓጠቑ ትካላት ክኾኑ፣ንልዕልነት ሕጊ ዘኽብሩን ዝሰርሑን ሓይልታት፣ኣብ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ድሕነትን ምርግጋእን ኣበርኽቶ ዘወፍዩ ኢና ትኹረት ንገብር ዘለና።” ካብ 42 ሃገራት ዝመፁ ወኪላት ዝተሳተፉሉ ኣብዚ ዓመታዊ ኣኼባ ሓይልታት ምድሪ ኣፍሪቃ ህውከት ኣብ ምክልኻል፡ ይፍጠሩ ዘለው ስግኣታት ንምምካት ዘለዎም ተመኩሮታትን ንምልውዋጥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣኪቦምምእካቦም ተሓቢሩ’ሎ። ኣብ ኣፍሪቃ ወታሃደራዊ ኮማንድ ኣሜሪካ ንልዕሊ ዓሰርተታት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ምሕጋዝ ይርከብ።ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ እስላማዊ ጥሩፍ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ብዙሕ ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ\/ድሮንስ\/መጥቓዕቲ ፈፂሞም እዮም። ኣብ ዋሽንግተን ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ኣፍሪቃ ወታሃደራዊ ስርሒት ከምዝንኪ ምልክት ሂቡ’ሎ።ብዙሓት ናይ ኣፍሪቃ ክኢላታት ፀጥታ ነዚ ስጉምቲ እዚ ኣንፃር ኣሸበርቲ ጉጅለታት ዝካየድ ግጥም ከም ምቕናስ ሪእዮምዎ ኣለው። ጀነራል ክላውቴር ግን ሃገሮም ትገድፎም ከምዘየላ ንኣፍሪቃዊያን ወታሃደራዊ መራሕቲ ኣረጋጊፆምሎም ኣለው። “እቲ ገምጋም ዝጥምቶ ጉዳይ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለና ፀጋታት ምስ ሃገራዊ ናይ ምክልኻል ስትራተጂ ዝኸይድ ምዃኑ ንምርግጋፅ እዩ።ዘለና ፀጋታትና ብብቕዓት ንጠቀመሉ ከምዘለና ንምርግጋፅ ኢና ንፍትን ዘለና።ፃዕርታትና ካልኦት ዝሰርሑዎ ዘይደግም ምዃኑ የግዳስ ዝደጋገፍ ምዃኑ ኢና ነረጋግፅ ዘለና።ስለዚ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ኣሜሪካ ካብ ኣፍሪቃ ትሃድም የላን።ፅምዶና ክቕፅል እዩ።” ገለ ሓይልታት ፀጥታ ኣፍሪቃ ኣብቲ ዝካየድ ግጥም መናእሰይ ኣብ ጎኒ ናዕበኛታት ጉጅለታት ክሰልፍ ዝኽእል ከቢድ ታክቲክ ብምጥቃም ይኽሰሱ። ሞስኮን (MOSECON) ብዝብል ስም ዝፅዋዕ ኣብ በርሊን ናይ ዝመደብሩ ትካል ድሕነት\/ፀጥታ ዝመርሕ ተንታኒ ያን ሴንቲ ፐር መንግስታት ኣፍሪቃ ናይ ህዝቦም እምነት ክረኽቡ ክሰርሑ ኣለዎም ይብል። “ዘይሩ ዘይሩ ብዛዕባ ርክብ ምስ ነበርቲ’ቲ ከባቢ’ዩ። ኣብ ካልኦት ከባቢታት’ውን ርኢናዮ ኢና። ኣብ ኣፍሪቃ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ መላእ ዓለም ነበርቲ ሓደ ከባቢ፣ ምስ’ቲ ዋርድያኦም ክኸውን ዝግባእ ሰራዊት፣ ፖሊስ ዘይጽቡቕ ርክብ እንተልይዎም፣ ንፈጠርቲ ራዕዲ ዝፈጥርዎ ሃዋሁው ዕድል ይህብ። ንሰራዊት ድማ ኣይኣምንዎን።” ፒየር ወሲኹ ሓይልታት ፀጥታ ኣፍሪቃ ኣብ ዓለምለኸ ረድኤትን ስልጠናን ዝተደረኸ ብምዃኑ ዝፍጥሮ ፀገም እውን ቀሊል ኣይኸውንን ኢሉ ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%95%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A6-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%95%E1%8C%BD%E1%88%8E-%E1%8B%A8%E1%88%A8%E1%8C%8B%E1%8C%88%E1%8C%BD\/5301646.html"} {"headline":"ናይ ኢትዮጵያ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ኣብ ልዕሊ ወዳቢ ኮሚቴ ቤተ ክህነት ክልል ኦሮምያ ዘመሓላለፍዎ ውሳነ ቕኑዕ ብዘይምዃኑ ከምዝተለዓለ ተገሊጹ","content":"ናይ ኢትዮጵያ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ኣብ ልዕሊ ወዳቢ ኮሚቴ ቤተ ክህነት ክልል ኦሮምያ ዘመሓላለፍዎ ውሳነ ቕኑ ብዘይምዃኑ ከምዝተለዓለ ተገሊጹ 9 የካቲት 2012 ዓ.ም ናይ ኢትዮጵያ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስቤተ ክርስትያን ኣብ ልዕሊ ወዳቢ ኮሚቴ ቤተ ክህነት ክልል ኦሮምያ ዘመሓላለፍዎ ውሳነ ብሕጊ ቤተ ክርስትያን ቅኑዕ ስለዘይኾነ ብጹዕ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ውግዘት ኣልዒልናዮ ኣለና ክብሉ ካብቲ ሲኖዶስ ናይ ደቡብ ምዕራብ ሸዋ ሃገረ ስብከት ናይ ምብራቅ ኣፍሪቃ ሃገረ ስብከት ኣፍሊጡ። ንክልቲኡ ሃገረ ስብከታት ብምውካል መግለጺ ዝሃቡ ብጹእ አቡን ሰውረርዮስ ነዚ ውግዘት ዘልዓልሉ ምክንያት ገሊጾም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%B2%E1%8A%96%E1%8B%B6%E1%88%B5-%E1%8A%A6%E1%88%AD%E1%89%B6%E1%8B%B6%E1%8A%AD%E1%88%B5-%E1%89%A4%E1%89%B0-%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8B%88%E1%8B%B3%E1%89%A2-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B4-%E1%89%A4%E1%89%B0-%E1%8A%AD%E1%88%85%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8B%98%E1%88%98%E1%88%93%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8D%8D%E1%8B%8E-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%89%95%E1%8A%91-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%91-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%88%E1%8B%93%E1%88%88-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5298843.html"} {"headline":"ማይክል ብሉምበርግ ኣብ ክትዕ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ማእከል ስሕበት ይኸውን","content":"ትማሊ ኣብ ላስ ቨጋስ ኣብ ዝተገብረ ክትዕ ዲሞክራቲክ ሕጹያት፡ ማይክል ብሉምበርግ ማእከል ስሕበት ኔሩ። እቲ ሓዲሽ ዝተጸንበረ ቢልየነር፡ ብዝተኣከበ ርእይቶ ህዝቢ፡ ድሕሪ`ቲ ዝመርሕ ዘሎ ሰነተር በርኒ ሳንደርስ ምስተሰርዐ`ዩ ናብ`ዚ ናይ ትማሊ ረቡዕ ዝተኻየደ ክትዕ ንምስታፍ ብቑዕ ኮይኑ። ሓደ ግዜ ሪፓብሊካን ኮይኑ ዝነበረ ሃብታም ብሎምበርግ፡ ኣብ ናይ ተለቪዥን ጎስጓስ ካብ ገንዘቡ ድሮ ልዕሊ 400 ሚልዮን ዶላር ኣጥፊኡ`ሎ-ንዶናልድ ትራምፕ ንምውድዳር። ማይክ ብሉምበርግ ኣብ ዕድላት ንግዲ ዝተዓወተን ከንቲባ ከተማ ኒው-ዮርክ ዝነብረን ምዃኑ ብዛዕባ ድሕሪ ባይትኡ ይገልጽ። ኣብ`ቲ ክትዕ ዝነበረት ሰነተር ኤለዛቤት ዋረን ግን እዛ ሃገር ንሃብታም ጥራይ እተገልግል ክትከውን የብላን ትብል።\\n\\n“ንሓደ ትዕቢተኛ ቢልየነር ብኻልእ እንተተኪእና፡ ዲሞክራት ኣብ ዓቢይ ሓደጋ ክንወድቕ ኢና። እዛ ሃገር ንነዊሕ እዋን ንሃብታማት ኣገልግሊ`ያ። ነቲ ካልእ ኹሉ ግን ኣብ ድኽነቱ ገዲፋቶ” ። ማይክ ብሉምበርግ ብወገኑ፡ \" ኣነ ካብ ካልእ ዝወረስክዎ ዘይኮነስ ባዕለይ ዝሰራሕክዎ ገንዘብ ንኻልኦት ዝልግስ ሰብ`የ። ነዚ ገንዘብ`ዚ ድማ ነቲ ክሳብ ሎሚ ካብ ዝርኣናዮም ፕረሲደንትታት እቲ ዝኸፍኤ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ንምውጋድ ይጥቀመሉ ኣለኹ” ክብል መሊሱ። ኣብ ግዜ ኦባማ፡ ምኽትል ፕረስደንት ዝነበረ ጆ-ባይደን ብወገኑ፡ ንማይክ ብሉምበርግ፡ ኣብ ኒው ዮርክ ከንቲባ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንዝነበሮ ገበናት ናይ ምክልኻል ፖሊሲ ይነቅፍ። እቲ ፖሊሲ ኣብ ጸለምቲ ንዝነብርሉ ከባቢ ዒላማ ዝገብረ ኔሩ ብምባል። “እቲ ፖሊስ ብሓቂ ጨካን`ዩ-እኳ ደኣ ንኹሉም ሰባት፡ ዘለዎም መሰላት ዝጥሕስ`ዩ” ነቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘሎ ድምጺ ዝመርሕ ዘሎ ናይ ክፍለግዝኣት ቨርማንት ሰነተር በርኒ ሳንደርስ ኣዝዩ ናብ ጸጋማዊ ክንፊ ዝተጸግዐ ክብሉ ካብ ዝወቐስዎ ሓደ ድማ ከንቲባ ሳውዝ-በንድ እንድያና፡ ፒት ቡጅጌጅ`ዩ። በርኒ ሳንደርስ “ንሕና ክንገብሮ ንፍትን ዘለና ነቶም 45 ዓመታት ሰሪሖም፡ ካብቲ ቅድሚ 45 ዓመታት ዘእትዎዎ ዝነበሩ ሳንቲም ዘይወሰኹ ሰባት ድምጺ ኢና ክንኮኖም ንደሊ ዘለና” ክብል ይምልስ። ነዚ ኣንጻር ትራምፕ ዝካየድ ምርጫ ብኸመይ ምስዓር ይክኣል ንዝብል ሕቶ ድማ፡ ካብ መነሶታት ዝተወከለት ኣሚ ክሎባቸር ትምልስ፡ “ ጓለንስተይቲ ንሕጹይነት ብምምራጽ ንፕረሲደንትነት ዩናይትድ ስቴትስ ክንስዕር ንኽእል ኢና። ንሕና ከም ፓርቲ ዘለና ዓቕሚ እንተርኢና ቀጻልነት ክህልዎ ይኽእል`ዩ።\" ነቫዳ ዝመጽእ ቀዳም፡ ብሓባራ ድምጺ ዝግበር ምርጫ ኣለዋ- ዝቕጽል ሰሉስ ድማ፡ ኣብ ሳውዝ ኮሮላይና ክትዕ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ክኽጽል`ዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5297173.html"} {"headline":"ትንታነ ምሁራት ንቃለ ምልልስ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ (2ይ ክፋል)","content":"ናይ ኤርትራ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወቂ ኣብ ቀረባ ምስ ቴሌቪዥን ኤርትራ ዘካየዱዎ ቃለ ምልልስ ኣብ ርክባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ እውን ንጉዳይ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝምልከት ዝሃብዎ ሪኢቶ ምስ ተንተንቲ ዘካየድናዮ ካልኣይ ክፋል እዩ።ኣጋይሽና ኦንታሪዮ ካናዳ ኣብዝርከብ ኲንስ ዩኒቨርስቲ ፕሮፌሰር ዓወት ወልደሚካኤልን ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ምምህር ፖለቲካዊ ሳይንስ ኣቶ ገብረመድህን ገብረሚካኤልን እዮም። ድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/analysis-on-president-isaias-afewerki-interveiw-part-two\/5296930.html"} {"headline":"'ፌደራል መንግስቲ ምስ ሓይልታት ወፃኢ ብምኳን ውዲት ብምፍሓስ ሰላም ክልል ትግራይ ንምህዋክ ይሰርሕ ኣሎ' ዶ\/ር ደብረጽየን ገ\/ሚካኤል","content":"\" ፌደራል መንግስቲ ምስ ሓይልታት ወፃኢ ብምኳን ውዲት ብምፍሓስ ሰላም ክልል ትግራይ ንምህዋክ ይሰርሕ ኣሎ\" ክብሉ ኣቦ መንበር ህወሓትን ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ተዛሪቦም:: ዶክተር ደብረፅዮን እዚ ዝበሉ ምስረታ ህወሓት መበል 45 ዓመት 11 ለካቲት ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተኸበረሉ እዋን እዩ:: ኣብዚ ሐዚ እዋን ብማዕርነት ዝተመስረተ ሓድነት ክህሉ ይግባእ እተዘይኮይኑ ግና ህዝቢ ክልል ትግራይ ተቓሊሱ ዘምፀኦ መሰሉ ኣብ ኢዱ እዩ ዘሎ ኢሎም:: እዚ ክሲ ፌደራል መንግስቲ አይተቐበሎን:: መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰላም ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝሰርሕ እምበር ንሰላም ክልል ትግራይ ይዘርግ እዩ ዝተባህለ መሰረት ዘይብሉ እዩ ኢሉ:: ኣብዚ ፍሉይ ፀብፃብ እዚ ሪኢቶታት ነበርቲ ከተማ መቐለ ንብዓል 11 ለካቲት እውን ሂቦም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%8C%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8D%83%E1%8A%A2-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8A%B3%E1%8A%95-%E1%8B%8D%E1%8B%B2%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%88%93%E1%88%B5-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%85%E1%8B%8B%E1%8A%AD-%E1%8B%AD%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%8C%BD%E1%8B%A8%E1%8A%95-%E1%8C%88-%E1%88%9A%E1%8A%AB%E1%8A%A4%E1%88%8D\/5295311.html"} {"headline":"ሓባራዊ መግለጺ ሚንስትራት ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካን ኢትዮጵያን","content":"ብመንጽር ምምስራት አሳታፊ ስርዓት ምስ ምምሕዳር አብይ አሕመድ ተመሳሳሊ መርገጺ አለና ክብሉ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐይ ኣፍሊጦም። ፓምፐዮ ሃገሮም ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ዘሎ ስጉምቲታት ምምሕያሽን ከይዲ ለውጢን ትድግፍ አላ ክብሉ’ውን ገሊጾም። አብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ዝካየድ ልዝብ ብዝምልከት’ውን ግደ ኣሜሪካ ናይ መፍትሒ ሓሳብ ምጽዓን ዘይኾነ ንሰለስቲኣን ሃገራት ናብ ሓደ ንምምጻእ’ዩ ኢሎም። ፓምፐዮ ኣብ አዲስ አበባ ትማሊ ምሸት ድሕሪ ምእታዎም ምስ ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ፡ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ከምኡ’ውን ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ገዱ አንዳርጋጸው ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%89%A3%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95\/5293930.html"} {"headline":"ቤት ምኽሪ ሓባራዊ መድረኽ ፓርትታት ፖለቲካ ሃገራዊ ምርጫ ክናዋሕ ወሲኑ","content":"ናይ ኢትዮጵያ ቤት ምኽሪ ሓባራዊ መድረኽ ፓርትታት ፖለቲካ ናይ 2012 ሃገራዊ ምርጫ ክናዋሕ ብድምፂ ብልጫ ወሲኑ።ቦርድ ምርጫ ብወገኑ ውሳነ ናይቲ ቤት ምኽሪ ወግዓዊ ኣብ ልዕሊ ዝገበሮ ናይ ምርጫ ሰደቓ ግዜ ተፅዕኖ ኣይህልዎን ክብል ኣፍሊጡ። ናይ ኢትዮጵያ ናይ ፖለቲካ ፓርትታት ናይ ሓባር ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብዘካየዶ ኣኼባ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ዝወሰኖ ሰደቓ ግዜ ክናዋሕ ድምፂ ወሲኑ’ሎ። ገዛኢ ፓርቲ ሓዊሱ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ፖለቲካዊ ውድባት ዝሳተፍሉ ናይ ሓባር ቤት ምኽሪ ኣብዘካየዶ ኣኼባ ልዕሊ 50 ውድባት ተሳቲፎምሉ። ምርጫ ይናዋሕ ኣይናዋሕ ዝብል ብዝተወሃበ ድምፂ 41 ፓርትታት ይናዋሕ ክብሉ ከለው ገዛኢ ፓርቲ ሓዊሱ ሽዱሽተ ፓርታት ኣብ ዝወፀሉ ናይ ግዜ ሰደቓ ክካይድ ድምፆም ሂቦም።ሓሙሽተ ውድባት ድማ ድምፆም ዓቂቦም ኣለው። እቲ ውሳነ ንዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ከምዝቐርብ መራሕቲ ናይቲ ቤት ምኽሪ ሓቢሮም።እቲ ውሳነ ቦርድ ምርጫ ኣብ ልዕሊ ዘቐመጦ ናይ ግዜ ሰደቓ ዘለዎ ትርጉም ዝተሓተቱ ምኽትል ኣቦ መንበር ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣቶ ውብሸት ኣየለ ምስ ፖለቲካዊ ውድባት ክልተ ሰለስተ ግዜ ምስተመያየጡ ነቲ ናይ ግዜ ሰደቓ ከምዘውፅኡ ብምሕባር ናይ መወዳእታ ውሳነ ካብ ዝምልከቶ ኣካል ካብ ፓርላማ እንተድኣ መፂኡ ተፅዋዕነትና ንፓርላማ ስለዝኾነ ብኡ መሰረት ክንኸይድ ኢና ኢሎም። ገለ ፖለቲካዊ ፓርትታት ነዚ ናይ ግዜ ሰደቓ ይኹን ቦርድ ምርጫ ንዝሰርሖም ካልኦት ተግባራት ነቒፎም ኣለው። ቦርድ ምርጫ ደጋፊ ብልፅግና ፓርቲ እዩ ክብሉ እውን ኸሲሶም ኣለው።ምኽትል ፕረዚደንት ውድብ መላእ ሓድነት ኢትዮጵያ ኣቶ ሙሉጌታ ኣበበ ቦርድ ምርጫ ቅድሚ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሓባራዊ መድረኽ ፖለቲካ ፓርትታት ምክያዱ ናይ ግዜ ሰደቓ ምውፅኡ እቲ ምርጫ ብአጋኡ ውዱቕ ይኸውን ኣሎ ኢሎም። “እቲ ቦርድ ናይ ብልፅግና ወኪል ምዃኑ ኣብ ምርግጋፅ እዩ ዝርከብ።እዚ ብትኽክል ክንቃለሶ ዘለና ስለዝኾነ እቲ ቤት ምኽሪ፣መራሕቲ ቤት ምኽሪን ኣባላትን ስቕ ኢልና ንሓልፎ ኢና ኢለ ኣይኣምንን።” ምኽትል ኣቦ መንበር ቦርድ ምርጫ ኣብዝሃብዎ መልሲ ኻልኦት ውድባት ሰለስተ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝውድኦም ጉዳይ ብልፅግና ፓርቲ ብዘለዎ ብልጫ ፀጋታት ንነገራት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ክውድእ ምኽኣሉ ዝተፈለየ ነገር ዝግበረሉ ይመስሎም ስለ ዘሎ እዩ እምበር እቲ ሓቂ ከምኡ ኣይኮነን ኢሎም። “ሓቂ ንምዝራብ ኣብኡ ዘለና ሰባት ገለልተኝነትና ንምርግጋፅ ንኸዶ ዘለና መንገዲ ከቢድ እዩ።ስለዚ ሓሸክር ናይ ምዃን ዓቕሚ የብልናን፣ንሰባት ዝሽከም ማእገር እውን የብልናን።ካብ ስራሕናን ሕግን ወፃኢ ዝገዝአና ይኹን ንምርሓሉ ካልእ ነገር የለን።” ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ምርጫ ድምፂ ዝውሃበሉ ዕለት 23 ነሓሰ 2012 ዓ\/ም ክኸውን ወግዓዊ ምግባሩ ይዝከር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%88%93%E1%89%A3%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%8A%BD-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%AD%E1%8A%93%E1%8B%8B%E1%88%95-%E1%8B%88%E1%88%B2%E1%8A%91\/5293667.html"} {"headline":"ዓረና፡ አባላትን ኣመራርሓን’ቲ ውድብ መጥቓዕቲን ምክልባትን የጋጥሞም ኣሎ ክብል ከሲሱ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ዝንቀሳቐስ ውድብ ዓረና ንሉኣላዊነትን ዲሞክራስን ኣባላትን ኣመራርሓ’ቲ ውድብ መጥቓዕትን ምክልባትን ይበፅሖም ከምዘሎ ኣፍሊጡ:: እቲ ውድብ ወሲኹ እዚ ፍፃመ ንቐፃሊ ንዝካየድ ምርጫ ዘተዓናቕፍ እዩ ብምባል ድማ ስግኣቱ ገሊፁ ኣሎ:: No media source currently available መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ ብዓረና ንዝቐረበ ክሲ ብምንጻግ: \" እዚ ክሲ ኣብዚ ሐዚ እዋን ይኽበር ንዘሎ በዓል 11 ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ንምፅላም እዩ\" ኢሉ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%8A%93-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%AD%E1%88%93%E1%8A%95-%E1%89%B2-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%A3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%A8%E1%8C%8B%E1%8C%A5%E1%88%9E%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%A8%E1%88%B2%E1%88%B1\/5293545.html"} {"headline":"ፕረ. ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም","content":" ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ሳልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ ኣል ሳውድ ትማሊ ሶኑይ ኣብ ሪያድ ስዑዲ ዓረብ ምርኻቦም ተፈሊጡ።ንጉስ ሳልማን ነዊሕ ዝፀንሐ ርክብን ሓባራዊ ረብሓ ክልቲአን ሃገራት ብምስማር ስዑዲ ዓረብ ሓባራዊ ምትሕብባር ንክሕይል ዘለዋ ድልውነት ኣስሚሮምሉ። ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ሰላምን ዞባዊ ምትሕብባርን ክረጋገፅ ትፃወቶ ንዘላ ተራ እውን ንኢዶም ኣለው። ፕረዚደንት ኢሳያስ ብወገኖም ንጉስ ሳልማንን ስዑዲ ዓረብን ምስ ኤርትራ ንዘለዎም ምሕዝነት ብምምስጋን ስዑዲ ዓረብን ናይቲ ዞባ ሃገራትን ንሰላምን ልምዓትን ጎረቤት ሓላፍነት ኣለወን ኢሎም ይብል ካብ መርበብ ሓበሬታ ሚንስትር ሓበሬታ ኤርትራ ሻባይት ዝተረኸበ ዜና። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%B5-%E1%88%B3%E1%88%8D%E1%88%9B%E1%8A%95-%E1%89%A2%E1%8A%95-%E1%8B%93%E1%89%A5%E1%8B%B1%E1%88%8D%E1%8B%93%E1%8B%9A%E1%8B%9D-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/5293034.html"} {"headline":"ክልል ኦሮምያ: ኣምንስቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ አባላት ተቓዋሚ ፓርቲ ብዝፈጸሞ መጥቓዕቲ 1 ሰብ ሞይቱ ክብል ከሲሱ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ፖሊስ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ ተቓዋሚ ፓርቲ ብዝፈፀሞ መጥቓዕቲ ሓደ ሰብ ሞይቱ፣ብዙሓት ቆሲሎም ብዝሒ ዘለዎም ድማ ከምዝኣሰረ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ገሊፁ። እቲ ተሓላቒ መሰላት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ምርጫ ዝካየደሉ እዋን ወግዓዊ ኣብዝተገብረሉ ኣብ ውሽጢ ስዓታት ፍሉይ ፖሊስ ኦሮሚያ ኣብ ከተማ ወለንጭቲ ይካየድ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ምረቓ ቤት ፅሕፈት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ቶኽሲ ብምኽፋትን ዘንብዕ ጋዝ ብምትኳስን ንሓደ ደጋፊ ኦነግ ቐቲሎም ኢሉ’ሎ። ኣብቲ ዕለት ኣብ ከተማ ቡራዩ ኣብ ዝነበረ ምረቓ ሆቴል ንዝነበሩ ኣስታት 30 አጋይሽ ፖሊስ ብኣልማማ ኣሲሩ ናብ ሓደ ስታዲዮም ወሲዱ ንስዓታት ሃሪሙን ክብሮም ግሂሱዎምን ይብል። እዞመ መጥቓዕትታት እዚኦም ኣብ ኢትዮጵያ ምእካብን ምግላፅ ፖለቲካዊ መርገፂን ማዕረ ክንደይ ሓደገኛ ይኸውን ከምዘሎ መርኣያታት እዮም ዝበሉ ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ምኽትል ዳይረክተር ምብራቕን ደቡባዊን ኣፍሪቃ ሴይፍ ማጋንጎ ኣብ እዋን ቅድመ ምርጫ ከምዚ ዝበለ መጥቓዕቲ ክፍቀድ የብሉን ኢሎም። ንሶም ወሲኾም ሰበስልጣን እታ ሃገር ቕልጡፍን ነፃን ምርመራ ብምክያድ ተጠርጠርቲ ናብ ሕጊ ከቕርቡ ኣለዎም እውን ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8B%E1%88%9A-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%9E-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-1-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B1-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%A8%E1%88%B2%E1%88%B1-\/5292124.html"} {"headline":"መቐለ: ፈላማይ ውድድር መኪና ተኻይዱ","content":"ኣብ ከተማ መቐለ ንፈለማ እዋን ብቅድሚ ትማሊ ቀዳም ውድድር መኪና ተኻይዱ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%8B%B5%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%8A%AA%E1%8A%93-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/5292106.html"} {"headline":"ኣሕደርቲ ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራ","content":"ኣብ ኤርትራ ዝተኸፍቱ ኣሕደርቲ ኣብያተ ትምህርቲ ሸፈነን ዝርግሐን ትምህርቲ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ብምስፋሕ ምዕሩይነት ትምህርቲ ኣብ ምርግጋጽ ዓቢ ተራ ይጻወቱ ከምዘለዉ ኣብ ሚንስትሪ ትምህርቲ ኤርትራ ዳይረክተር ጨንፈር ምክትታል ኣሕደርቲ ኣብያተ ትምህርቲ ኣቶ ፍስሃየ ኪዳነ ንቪኦኤ ተዛሪቡ። ብደረጃ ዓለም ምሃይምነት ንምጥፋእን ናይ ቀዳማይ ደረጃ ትምህርቲ ንምርግጋጽን ዝተታሕዘ ሸቶ ንምውቃዕ ኣሕደርቲ ኣብያተ ትምህርቲ ኣቋራጭ መንገዲ ከምዝኾኑ ኣቶ ፍስሃየ ኣረዲኡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AB%E1%89%B0-%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB\/5292083.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ አዋጅ ምክልኻል ናይ ጽልኢ ዘረባን ናይ ሓሶት ሓበሬታን ጸዲቑ","content":"ብዝተፈላለዩ ተሓለቕቲ መሰላት፣ሰብ ሞያ መሓውራት ዜናን ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ልዝብ ክካየደሉ ዝቐነየ ዝርግሐ ናይ ጽልኢ ዘረባን ናይ ሓሶት ሓበሬታን ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኣዋጅ ሎሚ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጸዲቑ’ሎ። ንዳይሬክተር ርክብ ህዝብን ኮሚኒኬሽንን ፌደራል ዓቃቢ ሕጊ ንድምጺ ኣሜሪካ መብርሂ ሂቦም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A0%E1%8B%8B%E1%8C%85-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8C%BD%E1%88%8D%E1%8A%A2-%E1%8B%98%E1%88%A8%E1%89%A3%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%88%B6%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%89%A0%E1%88%AC%E1%89%B3%E1%8A%95-%E1%8C%B8%E1%8B%B2%E1%89%91\/5287408.html"} {"headline":"መቐለ፡ ካብ ስደት ዝተመልሰ ስራሕ ፈጣሪ መንእሰይ","content":"ተወልደ በሪሁ ይበሃል። ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ስደት ካብ መቐለ ናብ እስራኤል ተበጊሱ እንተኾነ ኣብ ሱዳን ምስ በጽሓ ብዘጋጠሞ ጸገም ግን ንዝመደቦ ጉዕዞ ስደት ብምስራዝ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ። No media source currently available ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ከተማ መቐለ ናይ ገዛእ ርእሱ ስርሓት ዕንፀይትን ሓፂነ መፂንን ብምክፋት ንገዛእ ርእሱ ስራሕ ብምፍጣር ንካልኦት 12 መንእሰያት’ውን ናይ ስራሕ ዕድል ብምፍጣር ዝሰርሕ ዘሎ መንእሰይ’ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B0-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8D%88%E1%8C%A3%E1%88%AA-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AD\/5287343.html"} {"headline":"ኣምንስቲ ኣብ ሶማል ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝፍጸም መጥቓዕቲ ምውሳኹ ሓቢሩ","content":"ኣብ ሶማል ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝፍፀም መጥቓዕቲ መሊሱ ይውስኽ ከምዘሎ ተሓቢሩ።ፀብፃብ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ከምዝሓበሮ ምፍርራሕን ምድሃልን ሓዊሱ ኣብታ ንጋዜጠኛታት ሓደገኛ ካብ ዝኾኑ ቦታታት ዓለም ሓንቲ ዝኾነት ሶማል ዝፍፀሙ መጥቓዕትታት ልሙድ ይኸውን ኣሎ ኢሉ። “ኣብ ውሽጢ ቀፃሊ ስግኣት ኢና ንነብር ዘለና’’ ብዝብል ኣርእስቲ ዝወፀ እዚ ፀብፃብ ኣምንስቲ ኣብ ጋዜጠኛታት ዝፍፀም ምፍርራሕን መቕተልትን ብእስላማዊ ጥሩፍ ጉጅለ ኣል-ሸባብ፣ፖሊስን ሰበስልጣን መንግስትን እዩ ዝፍፀም ክብል ይሕብር። እቲ ጉጅለ ተሓላቒ መሰላት ምምሕዳር ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅእ ሸሞንተ ጋዜጠኛታት ተቐቲሎም ኣለው።ሓሙሽተ ካብኦም ብመጥቓዕታት ኣል-ሸባብ፣ክልተ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ሓደ ድማ ብፖሊስ ተቐቲሎም ኣለው ይብል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8D%8D%E1%8C%B8%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%B9-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5287269.html"} {"headline":"መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ቻይና ዘካይዶ በረራ ደው ከምዘይብል ኣፍሊጡ","content":"ዓለምለኸ መንገዲ ኣየራት ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ናብ ቻይና ምብራር ደው ኣቢለንኦ ኣለው።እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ግን ናብ ቻይና ምብራር ደው ኣየብልን ኢሉ ይርከብ። ዋና ፈፃሚ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ ተወልደ ገብረማሪያም እቲ መንገዲ ኣየር በረኣ ደው ከብል ብዙሕ ድፍኢት እንተሃለወ እውን ምስራዝ በረራ ነቲ ቫይረስ ኣብ ምቁፅፃር ይሕግዝ እዩ ዝብል መረጋገፂ ሓቂ የለን ኢሎም። ኣቶ ተወልደ ን‘ሪፖርተር’ ንዝተብሃለ ጋዜጣ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃብዎ ቃል “ንቻይና ክንጽላ የብላናን።ንቻይናዊያን ተጉዓዝቲ’ውን ከነጓንዮም የብልናን።ክንገብሮ ዘለና ብመሰረት ኣሰራርሓ ውድብ ጥዕና ዓለም ንተጉዓዝቲ ክንፍትሽ እዩ ዘለና’’ኢሎም ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ኣብ ሓሙሽተ ከተማታት ቻይና 35 በረራታት የካይድ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%A8%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%89%BB%E1%8B%AD%E1%8A%93-%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6-%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%88%AB-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5287250.html"} {"headline":"ሱዳናዊያን ንሰበ ስልጣን’ታ ሃገር ንዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ኣሕልፊካ ምሃብ ዝብል ውሳነ ብምቕዋምን ብምድጋፍን ሰልፊ አካይዶም","content":"መንግስቲ ሱዳን ንፕረዚደንት’ታ ሃገር ነበር ዑመር ኣልበሽርን ካልኦት ሰለስተ ሰበስልጣን’ታ ሃገር ነበር ናብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ኣሕሊፉ ከምዝህብ ኣፍሊጡ’ሎ። እዚ ውሳነ ዝተፈልጠ ኣብ መንጎ ልኡኻት መንግስቲ ሱዳንን ተቓወምቲ ዳርፉርን ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተኻየደ ልዝብ’ዩ። ፕረዚደንት ኣልበሽር ብክስታት ናይ ኹናት ገበን፡ ገበን ኣንጻር ሰብኣዊነትን ምጽናት ዓሌትን ብዓለምለኸቤት ፍርዲ ገበን ክድለዩ ምጽንሑ ይፍለጥ። ዓቐብቲ ሕጊ ሱዳን ደገፍቲ ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብ 2003 ኣብ ዞባ ዳርፉር ዝተላዕለ ተቓውሞ ንምጽቓጥ ዓሌት ናይ ምጽናት ተግባር ፈጺሞም’ዮም ይብሉ። መንግስቲ ሱዳን ንሰበ ስልጣን’ታ ሃገር ናብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ኣሕሊፎም ከምዝህቡ ትማሊ ሶሉስ ድሕሪ ምፍላጦም ነቲ ውሳነ ዝድግፉን ዝቓወሙን ሱዳናዊያን ናብ ጎደናታት ከተማ ካርቱም ብምውጻእ ስምዒቶም ገሊጾም እዮም። ሓንቲ ካብ ሰልፈኛታት ሪም“ሰላም ኢና ንደልይ።ብኹሉ መዳይ ኣብዛ ሃገር ሰላም ኢና ንደልይ።እቶም ምንቅስቃሳት ንፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ንዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ኣሕሊፎም ክወሃቡ እንተተሰማሚዖም ጸገም ዝፈጥር ኣይመስለኒን ምክንያቱ ንዕኦም ኣልበሽር ናይ ኹናት ገበነኛ’ዩ።” ካልእ መዋፊቕ ኦትማን ዝተባህለ ሱዳናዊ ብወገኑ እቶም ፕረዚደንት ንዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ኣሕሊፎም ክወሃቡ ኣይግባእን ምክንያቱ እዚ ኣብ መስርሕ ፍትሒ ሱዳን ክፍተት ከምዘሎ ዘርእይ’ዩ ይብሉ። ሱዳናዊ ክሳብ ዝኾኑ ኣብ ሱዳን ብመስርሕ ፍትሒ ሱዳን ክፍረዱ ኣለዎም ትብል። ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒሚያዝያ ካብ መዝነቶም ካብ ዝእለዩ ንደሓር መብዛሕትኦም ግዳያት ዝነብረ ስርዓት ዝእሰርሉ ዝነብረ ኮበር ዝበሃል ቤት ማእሰርቲ ኣብ ማእሰርቲ ከምዘለው ይፍለጥ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%93%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8A%95%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%8D%E1%8D%8A%E1%8A%AB-%E1%88%9D%E1%88%83%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%89%95%E1%8B%8B%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%8C%8B%E1%8D%8D%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D\/5285826.html"} {"headline":"ዶ\/ር ደብረጽየን ገ\/ሚካኤል ብምክንያት መበል 45 ዓመት ምስረታ ሕውሓት ምስ ጋዜጣ መቓልሕ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ","content":"\"ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ዶባዊ ጉዳይ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ንሕና መራሕቲ ተራኺብና ልዝብ ክነካይድ ይግባእ\" ክብሉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ተዛሪቦም:: ዶክተር ደብረፅዮን ነዚ ዝበሉ ብምኽንያት መበል 45 ዓመት ምስረታ ህወሓት ንሓደ ጋዜጣ እቲ ክልል ኣብ ዝሃብዎ ቃለመጠይቕ እዩ:: እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣብቲ ቅድሚ ዝተወሰኑ መዓልታት ተኻይዱ ትማሊ ወግዓዊ ዝተገበረ ቃለ መጠይቕ ዶባዊ ጉዳይ ክልቲአን ሃገራት ብሕግን ስርዓትን መዕለቢ ክረክብ ኣለዎ ኢሎም:: ኣብዚ ቃለመጠይቕ: ኩነታት ሰላምን ልምዓትን እቲ ክልል: ሃገራዊ እዋናዊ ጉዳይ እውን ተዛሪቦም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%B3%E1%88%AA-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%8C%BD%E1%8B%A8%E1%8A%95-%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%9A%E1%8A%AB%E1%8A%A4%E1%88%8D\/5285647.html"} {"headline":"ትንታነ ምሁራት ንቃለ ምልልስ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ (1ይ ክፋል)","content":"ናይ ኤርትራ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወቂ ንርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ንውሽጣዊ ኩነታት ኢትዮጵያ፣ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኣመልኪቶም ምስ ቴሌቪዥን ኤርትራ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ክትንትኑልና ክኢላታት ዓዲምና ኣለና።ዶ\/ር ዓወት ወልደሚካኤል ኦንታሪዮ ካናዳ ኣብዝርከብ ኲንስ ዩኒቨርስቲ ፕሮፌሰርን ኣቶ ገብረመድህን ገብረሚካኤል ኣብ መቐለ ዩኒቨርስቲ መምህር ፖለቲካዊ ሳይንስን ስትራተጂያዊ መፅናዕትን እዮም። ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/analysis-on-president-isaias-afewerki-interveiw\/5285578.html"} {"headline":"ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ካብ ግዝያዊ ማእከል ስደተኛታት ከተማ ትሪፖሊ ክወጹ ምግዳዶም ኣፍሊጦም","content":"ኣብ ዋና ከተማ ሊብያ ትሪፖሊ ዝርከብ ግዝያዊ መአከቢን መፋነዊን ማእከል ስደተኛታት (GDF) ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝጸንሑ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ብዘይድልየቶም ካብቲ ማእከል ክወጹ ብትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይግደዱ ምህላዎም ኣፍሊጦም። ኣብቲ ማእከል ንኣስታት ሓደ ዓመት ዝጸንሐ አብዲ ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ “ዝተዋህበና ምክንያት የለን በቃ ካብዚ ውጹ ኢና ተባሂልና፡ ናበይ ከምንኸይድ’ውን ኣይንፈልጥን ኢና፡ እንተሞገትና’ውን ዝሰምዓና ኣይረኸብናን፡ ስለዚ ሕጂ ዘለና አማራጺ ናብ ጎደናታት ወጺና ስርቂ ዝምታ እንተጋጠመ ዕድልና ገንዘብ እንተረኸብና ድማ ባሕሪ አቋሪጽካ ምዃድ ጥራይ እዩ” ይብል። ካልእ ኣሕመድ መሃመድ ዝተባህለ ድማ “ ካብ ካልኦት ሃገራት ዜጋታት ፈልዮም እዮም ንኢትዮጵያዊያን ዘጓንዩና። ጉዳይና ዝሰምዕ ጸገምና ዘጻርየልና አካል የለን። ንምንታይ ኢልና ምስ ንሓትት ሃገርኹም ሰላም እዩ። መንግስትኹም ተቐይሩ’ዩ ዝብል መልሲ ይህቡና። ንሕና ዘለናዮ ኩነታት ግን ብጣዕሚ ከቢድ እዩ” ኢሉ። እቶም ኣብቲ ግዝያዊ መዕቆቢ ስደተኛታት ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ሃገርና ዘሎ ሰላም ኣብ ውሑስ ደረጃ ኣይበጽሓን ስለዚ ዑቕባ ናይ ምሕታት መሰለና ይከበረልና ኢሎም ኣለው። ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ጨንፈር ሊብያ ታሪቅ አርጋዝ፡ UNHCR : ነቲ ግዝያዊ መጽንሕን መፋነዊን ማእከል (GDF) ብሰንኪ ናይ ጸጥታ ጸገም ምዕጻው ገሊጹ`ሎ፡ ካብ ካልኦት ዜጋታት ፈልዮም አጓንዮምና ሰጉጎምና ንዝብል ክሶም ድማ ኣሉታዊ መልሲ ሂብሉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8C%8D%E1%8B%9D%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%89%B5%E1%88%AA%E1%8D%96%E1%88%8A-%E1%8A%AD%E1%8B%88%E1%8C%B9-%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%8B%B3%E1%8B%B6%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A6%E1%88%9D\/5285528.html"} {"headline":"ንቀ\/ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝድግፍን ንፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ዝቃወምን ሰልፍን ጉያን ሎሚ ኣብ ከተማ ጅማ ተኻይዱ","content":"ንቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ደገፍ ንፓርቲ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ድማ ናይ ተቓውሞ ጉያ ሎሚ ኣብ ከተማ ጅማ ምክያዱ ተሳተፍቲ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም። ኣብቲ ጉያ ካብ መንጎ ዝተሳተፉ መንእሰይ ጉተማ ሃይደር “ቅድሚ ሎሚ ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኣቦ መንበር ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ጅማ መሬት እምበር ሰብ የብላን ኢሎም ክብሉ ንዘስምዕዎ መደረ ፅል’’ ንምቅዋም እዩ እቲ መንእሰይ ወፂኡ ኢሉ። “ኣብ ከተማ ጅማ ንክብሪ ናይቲ ማሕበረሰብ ዝትንክፍ ፀርፊ ተፈኒዩ ነይሩ።ዝተፃረፉ ይቕሬታ ክሓቱ ቅድሚ ሎሚ ሓቲትና መልሲ ስለዘይረኸብና ነዚ ፀርፊ ንምቅዋምን ደገፍና ንምግላፅን ኢና ወፂእና።” ዶ\/ር ኣብይ ኣብ ስድርኦምን ኣብ ማሕበረሰቦምን ዝተፀርፉዎ ፀርፊ ስለዘሎ ፀርፊ ናይ ፖለቲካ ለውጢ ኣየምፅእን ዝበለ መንእሰይ ጉተማ ናይ ፕሮፌሰር መረራ ፓርቲ ንህዝቢ ጅማ ብወግዒ ይቕሬታ ከይሓተተ ንወፍሪ ምርጫ ክመፅእ ምሕሳቡ ግቡእ ዘይምዃኑ ንምግላፅ እዩ ኢሉ። ኣቦ መንበር ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ብወገኖም ከምዚ ክብሉ መልሲ ሂቦም። “ህዝቢ ጅማ ህዝብና እዩ።ከመይ ገይረ ንህዝቢ ጅማ ከምኡ ክብል!! እንተወሓደ ሶሻሊስት ዝነበርኩ ሰብ እየ።ንህዝቢ ጅማ ይኹን ንዝኾነ ይኹን ህዝቢ ከምኡ ኢለ ዝፃረፍ ሰብ ኣይኮንኩን።ኣየተፃረፍኩን ከምኡ ኢለ ዝፃረፍ ሰብ እውን ኣይኮንኩን።” ጅማ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ትውልዲ ከባቢ ከም ምዃኑ ናይ ጂማ መናእሰይ ኣብ ጎኒ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ደው ምባሎም ንምርኣይ ነዚ ሰልፊ ከምዘዳለውዎ መንእሰይ ጉተማ ገሊፁ’ሎ።። ኣብቲ ሰልፊ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰይ ምስታፎም ድምፂ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም መናእሰይ ገሊፆም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8C%85%E1%88%9B-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%88%9E%E1%8A%95-%E1%8B%B0%E1%8C%88%E1%8D%8D%E1%8A%95-%E1%8C%89%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/5284088.html"} {"headline":"ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ንዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ንምዝርራብ ዓበይቲ ዓዲን ምሁራን ናብቲ ከባቢ ምኻዶም ተገሊጹ","content":"ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ንዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ንምዝርራብ ዓበይቲ ዓዲን ምሁራን ናብቲ ከባቢ ምኻዶም ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ኣቶ ጌታቸው ባልቻ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም። ሕቶ ዘለዎ ኣካል እንተሃሊዩ ሕጂ እውን ንኽነዘራርቦን ጸገማት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕን ማዕጾና ኽፉት እዩ ዝበሉ ኣቶ ጌታቸው ካብቶም ዕጡቓት ዛጊት ምላሽ ከምዘይተውሃበ ኣፍሊጡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9A%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%8A%95%E1%89%80%E1%88%B3%E1%89%90%E1%88%B1-%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%89%A0%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%8B%93%E1%8B%B2%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%81%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2-%E1%88%9D%E1%8A%BB%E1%8B%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5282200.html"} {"headline":"ዕላል ምስ ስነ-ጥበበኛታት ዕውቲ ሰለስተ ኣህጉራዊ ውድድራት ዝኾነት ፊልም ‘ዜና ዕረፍቲ’","content":"ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ናይ ፊልም ውድድራት ተወዳዲራ ብርክት ዝበለ ናይ ወርቂ ሽልማት ዝረኸበት ብኤፍሬም ካሕሳይ ተደሪሳ ዝተኣለየት ናይ ትግሪኛ ፊልም ‘ዜና ዕረፍ”፡ንሰነ-ጥበበኛታት ኤርትራ ዝተባብዕን ምስ ኣህጉራዊ ናይ ፊልም መድረኽ ዘላልልን ከምዝኾነ፡ኣባላት ናይዛ ፊልም ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%95%E1%88%8B%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%8C%A5%E1%89%A0%E1%89%A0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%95%E1%8B%8D%E1%89%B2-%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%88%85%E1%8C%89%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%8B%B5%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8A%BE%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8D%8A%E1%88%8D%E1%88%9D-%E1%8B%9C%E1%8A%93-%E1%8B%95%E1%88%A8%E1%8D%8D%E1%89%B2-\/5278601.html"} {"headline":"ንዝኽሪ መበል 30 ዓመት ስርሒት ፈንቕል ውድድር ፍርቂ ማራቶን ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ተኻይዱ","content":"ብኣጋጣሚ ጽንብል መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል፡ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ምብራቕ ኣፍሪቃ ሎሚ ኣብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ተኻይዱ። ኣብ`ቲ 21 ኪ.ሜ ዝሸፈነ ውድድር 69 ደቂ ተባዕትዮን 21 ደቀንስትዮ ብጠቕላላ 90 ተወዳደርቲ `ዮም ተሳቲፎም። ኣብቲ ብኣህጉራዊ ፈደረሽን ኣትሌትክስ ኣፍልጦ ዝረኸበ ናይ ደቂተባዕትዮ ውድድር ኣትሌታት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ሱዳንን ታንዛንያን ተሳቲፎም ኔሮም። ብናይ ደቂተባዕትዮ ኣትሌት ግርማይ ገብረስላሰ ቀዳማይ ፡ ሳምሶን ኣማረ ካልኣይ፡ ዮናስ ያቆም ሳልሳይ ኮይኖም ተዓዊቶም። ካብ ደቀንስትዮ ቀዳመይቲ ናጽነት ኣማንኤል፡ ካልኣይቲ ስምረት መርሃዊ ፡ሳልሳይቲ ድማ ሕብረት ደበሳይ ብምዃን ምዕዋተን መሓውራት ዜና ውሽጢ ሃገር ሓቢረን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%88%98%E1%89%A0%E1%88%8D-30-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%92%E1%89%B5-%E1%8D%88%E1%8A%95%E1%89%95%E1%88%8D-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%8B%B5%E1%88%AD-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%88%9B%E1%88%AB%E1%89%B6%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%89%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%9D%E1%8C%BD%E1%8B%8B%E1%8B%95-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/5278574.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ካናዳ መንበር አባልነት ባይቶ ጸጥታ ሕ\/ሃ ንምርካብ ናብ ኣፍሪቃ የምርሑ","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ካናዳ ጃስትን ትርዶ ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምስታፍ ሎሚ ሓሙስ ናብ ኢትዮጵያ ኣምሪሖም ኣለው።ዕላማ ዑደቶም ዲፕሎማት ሰንከልከል ዝብል ንዝብልዎ ምርቋሕ ንመንበር አባልነት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንምብርባር ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ’ሎ። ቕድሚ ቀ\/ሚ ትሩዶ ኣብ ሕዳር 2015 ናብ መሪሕነት ምምጽኦም ዝነበረ ዓቓባዊ ምምሕዳር’ታ ሃገር ነቲ ዓለምለኻዊ ውድብ ብጥርጣረ ዝርእይ ዝነብረ ኽከውን ከሎ ካናዳ ኣብ 2010 አባል ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምኳን ከምዘይተዓወት ይዝከር። ካናዳ፡ኣየርላንድን ኖርወይን ኣብቲ ኣብ ዓመተ 2021-2022 ክፉት ዝኸውን ክልተ መንበር ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ይወዳደራ ኣለዋ። ድምጺ ምውሃብ ድማ ሰነ 17,2020 ክጅመር’ዩ። No media source currently available ቀ\/ሚ ትሩዶ ኣብ አዲስ አበባ ዝካየድ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝሳተፉ መራሕቲ ኣፍሪቃ ድሕሪ ምርኻብ ናብ ሰኔጋል ከምዘቕንዑ ተፈሊጡ’ሎ። ኣፍሪቃ ዋላ’ኳ ካብተን 193 አባላት ሃገራት ሕቡራት ሃገራት 54 ሃገራት ዝርከባላ ኣህጉር እንተኾነት መንግስቲ ካናዳ ግን ምስቲ ኣህጉር ዝኾነ ይኹን ዝምድና ኣይጸንሖን። ዝሓለፈ ወርሒ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ካናዳ ፍራንስዋ ፊሊፒ ሻምፕየን ናብ ሞሮኮን ማሊን ብምብጻሕ ኣብቲ ቦታ ተዋፊሮም ዘለው ሰራዊት ዓቓብ ሰላም ካናዳ ምርኻቦም ይፍለጥ። ብዛዕባ ምርቋሕ አባልነት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ድማ ዘለዎም ኣወንታዊ ተስፋ ድማ ገሊጾም። ይኹን ደአ እምበር ካናዳ ካብ ኖርወይን ኣየርላንድ ብዝተሓተ ደረጃ ካብ ናይ ውሽጢ ሃገር ፍርያታ ኣብ ናይ ወጻኢ ሃገራት ሓገዝ ከምተውዕል ይፍለጥ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%AB%E1%8A%93%E1%8B%B3-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%88%85-%E1%88%83-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%BB%E1%89%A5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8B%A8%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%91\/5278289.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ምክንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ክሳብ 2025 ንምትራፍ ክሰርሕ’ያ ክትብል ኣፍሊጣ","content":"ሎሚ ምክንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ብዓለምለኸ ደረጃ ክተርፍ ንምግባር ምብርባር ዝግበረላ ዕለት’ያ። ኣብ ዓለም ልዕሊ 200 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ ምክንሻብ የጋጥመን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ካብ ህጻናት ክሳብ 15 ዓመት ዝዕድሚኣን ደቂ ኣንስትዮ ንልምድታት ምኽንሻብ ዝተቓልዓ’የን። ኢትዮጵያ ምክንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ክሳብ 2025 ንምትራፍ ክሰርሕ’ያ ክትብ ኣፍሊጣ’ላ። ነዚ ንምትግባር ኢትዮጵያ ትገብሮ ተካይዶ ዘላ ጻዕሪን ዘለዋ ብድሆታት ብዝምልከት ኣብ ሚንስትሪ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያት ዳይሬክተር ምብርባርን ተሳትፎን ኣቶ ስለሺ ታደሰ የብርሁ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8A%95%E1%88%BB%E1%89%A5-%E1%8B%B0%E1%89%82-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AE-%E1%8A%AD%E1%88%B3%E1%89%A5-2025-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8D%8D-%E1%8A%AD%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%8B%AB-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A3\/5277111.html"} {"headline":"መቐለ፡ ብኮሮና ቫይረስ ተጠርጢሩ ዝነበረ ወልቐ ሰብ ካብቲ ቫይረስ ነፃ ምኻኑ ተሓቢሩ","content":"ኣብ መቐለ ብኮሮና ቫይረስ ተጠርጢሩ ዝነበረ ወልቐ ሰብ ካብቲ ቫይረስ ነፃ ምኻኑ ተሓቢሩ። ኣብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ምክትል ሓላፊን ኣመሓዳሪ ከይዲ ስራሕ ምክልኻል፡ ምቁፅፃር ሕማማትን ምስጓም ጥዕናን ዶክተር ኢሰያስ በላይ ምስ ፌደራል መንግስቲ ብምትሕብባር ኣብ ትግራይ ኮሮና ቫይረስ ንምክልካል ይስራሕ ኣሎ ኢሎም። ዶክተር ኢሰያስ እዚ ቫይረስ ብመሰረት ሓበሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓደገኛ ምኳኑ ተገሊፁ እዩ። ስለዝኮነ ድማ ፅዑቅ ክትትል ይግበረሉ ኣሎ ኢሎም። ዶክተር ኢሰያስ ኮሮና ቫይረስ ኣመልኪቶም ዝሃብዎ መብርሂ ኣብዚ ምስማዕ ይከኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%89%A5%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%89%B0%E1%8C%A0%E1%88%AD%E1%8C%A2%E1%88%A9-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%89%90-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%8A%AB%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%90%E1%8D%83-%E1%88%9D%E1%8A%BB%E1%8A%91-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5277078.html"} {"headline":"ኢትዮጵያዊ ኣትሌት አባዲ ሓዲስ ዓሪፉ","content":"ንኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ውድድራት ዝወከለ ኣትሌት ኣባዲ ሓዲስ ሎሚ ረቡዕ ካብዛ ዓለም ብሞተ ተፈልዩ:: እቲ ኣትሌት ብዘጋጠሞ ሕማም ኣብ ከተማ መቐለ ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል ክሕከም ድሕሪ ምፅናሕ እዩ ሎሚ ወጋሕታ ህይወቱ ሓሊፉ:: ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%88%8C%E1%89%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%8B%B2-%E1%88%93%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8B%93%E1%88%AA%E1%8D%89\/5275419.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ካብ ፓርላማ ንዝቐረበሎም ሕቶታት መሊሶም","content":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኢትዮጵያ ሎሚ እትርከበሉ ዝለዓለፈ ፈተና ዝተመልኦ ኣብ መንጎ ሞትን ህይወትን እዩ ኢሎም።ንሶም ትማሊ ሶኑይ ንፓርላማ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ነዚ ኣፀጋሚ ፈተና ሓሊፍና ንኢትዮጵያ ክነቐፅላ ምዃና ከረጋግፀልኩም እየ ኢሎም።ፌደራል መንግስቲ ንተወልድቲ ትግራይ ዝኾኑ ሰበ ስልጣን ይደፍኦም ኣሎ ንዝብል ሕቶ ድማ ነጺጎምዎ ኣለው። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መሪሕነት ዘሎ ለውጢ መንግስትን እታ ሃገርን ኣብ ኣዚዩ ኣፀጋሚን ሓደገኛን ኩነታት ምዃኖም ሓቢሮም።ትካላት ብኽልተ እግሮም ደው ኢሎም ለውጢ ናይ ምቕፅል ስርሖም ክፍፅሙ ከቢድ ፍተና ገጢምዎም ኣሎ ኢሎም። “መላእ ህዝብን ቤት ምኽሪን ክርድኡዎ ዘለዎም ሎሚ እንርከበሉ ደረጃ ህንፀት ትካላትን ሃገረ መንግስቲ ክቕፅል ዘኽእል መሓውር ብኽልተ እግሩ ደው ኣይበለን።ስርሑ ዝርዳእን ዝፍፅምን መሓውር ንምፍጣር ሕጂ ናይ ለውጢ ሓይልን መንግስትን ዝርከበሉ ደረጃ ናይ ሞትን ህይወትን፣ዝለዓለ ናይ መወዳእታ ፈተና ዝተመልኦ እዋን ምዃኑ ምርዳእ የድልይ።” ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ብምውሳኽ ፈቐዱኡ ዝርአዩ ዘለው ናይ ውዲትን ሸርሕን ፖለቲካ ከምኡ እውን ስርዓት ኣልቦነት ደው ንምባል ፈተና ኮይኑ’ሎ ኢሎም ። ይኹን ደአ እምበር ይመርሑዎ ዘለው ናይ ለውጢ ሓይሊ ብዘይጥርጥር ነታ ሃገር ከምዘቕጽላ ተዛሪቦም ኣለው። “ነዚ ቤት ምኽሪ እዚ ከረጋግፆ ዝደልይ ኣብ ሓፂርን ማእኸላይን እዋን ነዚ ናይ ውዲት፣ናይ ተንኮል፣ናይ ሸርሒ፣ናይ ሽብር ፖለቲካ ስዒርና ንኢትዮጵያ ክነቐፅላ ምዃና ብምሉእ ልቢ ክገልፀልኩም ይኽእል እየ።” ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣጋጢሙ ነይሩ ካብ ዝበሉዎ ናይ ህልውና ፈተና ውዲት ኣል-ሸባብ ምዃኑ ገሊፆም።ኣል-ሸባብ ንኬንያን ኢትዮጵያን ከጥቅዕ ምድላው ገይሩ ሳላ ኣብ ሶማል ዝርከቡ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዘካየዱዎ ስርሒት ኣብ ኢትዮጵያ መጥቓዕቲ ከይተፈፅመ ተሪፉ ኢሎም። ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ኣባላት ብምምልማልን መርበብ ብምዝርጋሕ ንንመጻኢ መጥቓዕቲ ንምፍፃም ሰፊሕ ስራሕ ይስርሕ ኣሎ እውን ኢሎም።ኣል-ሸባብ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኢትዮጵያ ንምፍራስ እዋኑ ሎሚ እዩ ዝብሉ ናይ ወፃእን ውሽጥን ሓይልታት ጥፍኣት ዝለዓለ ፃዕሪ ክገብሩ ፀኒሖም ኣለው ኢሎም።ነዚ ንምምካት ሓይልታት ምክልኻልን ካልኦት ኣካላት ድሕነትን ዝለዓለ ስራሕ ምስርሖም ገሊፅም። ብዛዕባ ኣብ ዪኒቨርሲቲ ደምቢደሎ ይምሃሩ ዝነበሩ ተማሃሮን ካልኦትን ዝተጨወዩን ሰባት ክገልፁ ከለው ጨውዩ ዝተባህለ ኣካል ሓላፍነት ኣይወሰደን፤እቲ መጭወይቲ ተፈፂሙዎ ዝብሃል ከባቢ ኣብ ዝተኻየደ ዳህሳስ እውን ዝተረኸበ ሰብ የለን ኢሎም። “እቲ ጉዳይ ዝተሓላለኸ፣ከም ድልየትና ከይንዛረብ፣ከምድልየትና እንተተዛሪብና ህይወት ሰብ ኣብ ሓደጋ ከይነውድቕ ጥንቃቐ ኣድላይ ስለዝኾነ ምኽትል ቀዳማይ ሚንስትር፣ሚንስትር ሰላም፤ላዕለዎት ሰበስልጣን ትካላት ፀጥታ ዝሓቖፈ ኮሚቴ ሰፊሕ ስራሕ ክስርሕ ፀኒሑ’ሎ።ውፅኢቱ ንህዝቢ ወግዓዊ ከምዝገብሩ ተስፋ ኣለኒ።ዘረጋግፀልኩም ግን ብሰንኪ እቲ መጭወይቲ ዝሞተ ሰብ ምህላው ዋላ ሓደ መረጋገፂ ዘይረኸብና ምዃኑ እዩ። “ ዓብዪ ህዳሴ ብዝምልከት ይካየድ ብዛዕባ ዘሎ ልዝብ ክገልፁ ከለው ዝላዘብ ዘሎ ጉጅለ ናይ መወዳእታ ፊርማ ንምፍራም ሕቶ ኣቕሪቡሎም ብዝርዝር ንምርኣይ ፊርማ ክፀንሕ ብምእዛዞም ምስ ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት፣ናይ ባንኪ ዓለም ፕረዚደንትን ሚንስትርገንዘብ ኣሜሪካን ብሓባር ንውሕ ዝበለ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ ምክያዶም ሓቢሮም።ኢትዮጵያ ብመትከል ዲፕሎማስን ልዝብን ከም እትኣምን ከምዝገለፁሎም እውን ወሲኾም ሓቢሮም። ሎምቕነ ተወለድቲ ክልል ትግራይ ኣባላት ኣመራርሓ ካብ ናይ ፌደራል መንግስትን ኣብያተ ፅሕፈት ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባን ናይ ምብራርን ምእግዳን ተግባር ብናትኩም ኣፍልጦ ይፍፀም ኣሎ ንዝብል ካብ ሓንቲ ኣባል ቤት ምኽሪ ንዝቐረበሎም ሕቶ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ነፂጎምዎ ኣለው። ብመሰረት ሕጊ ምርጫ ሓደ ፓርቲ ምስ ካልኦት ፓርትታት ክሓብር ከሎ ንኩሉ ነገር ይወርስ እዩ፤ፕሮስፐርቲ ፓርቲ እውን ወራሲ ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያ ኮይኑ’ሎ ዝበዝሕ ድምፂ ዘለዎ ድማ ፕሮስፖርቲ ስለዝኾነ መንግስቲ እዩ ኢሎም።ኣብ ክልል ትግራይ ኣብዝሓ ድምፂ ዘለዎ ህወሓት ስለዝኾነ መንግስቲ እዩ፤ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ፌደራል መንግስትን ሕጋዊ ዝኾነ ምትእስሳርን ናይ ስራሕ ርክብን ክሕልው እዩ ኢሎም። “ተወለድቲ ክልል ትግራይ ካብ ፌደራል መንግስቲ ይድፍኡ ኣለው ዝብል ምናልባሽ ሓንቲ ሚንስትር ካብ ስርሐን ተላዒለን ኣለዋ።ልዕሊ 10 ሚንስትር ድኤታታት ኣለው፤ዋላ ሓዲኦም ኣይተልዓሉን።ኣፈ ጉባኤ ፌደረሽን እውን ኣለዋ፤ኣይተተንከፋን።ካልኣይቲ ሚንስትር እውን ኣለዋ ኣይተተንከፋን።” ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ህዝቢ ክልል ትግራይ ከም ህዝቢ ዘግለለ መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ምፍጣር ኣይክኣልን ከምኡ ዝሓስብ እንተሃሊዩ እውን ጌጋ እዩ ኢሎም ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፌደራል መንግስቲ ናይ ምስታፍ ምሉእ ብቕዓትን መሰልን ኣለዎ፤እቲ ቀዳማይ ሚንስትር ናይ ባዕሉ ካብኔ ናይ ምጥያሽ ሕገመንግስታዊ ስልጣኑ ምዃኑ ምርዳእ ግን ኣድላይ እዩ ኢሎም። ብዛዕባ ሃገራዊ ምርጫ 2012 ንዝቐረቡ ሕቶታት ክምልሱ ከለው ቦርድ ምርጫ ኣብ ዘቐመጦ ናይ ግዜ ሰሌዳ ይኹን ካልእ ሕቶ እንተሃሊዩዎ እቲ ቤት ምኽሪ ንቦርድ ምርጫ ስሒቡ ናይ ምሕታት ስልጣን ኣለዎ ክብሉ መሊሶም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%88%8B%E1%88%9B-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%88%A8%E1%89%A0%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%88%95%E1%89%B6%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%8A%E1%88%B6%E1%88%9D\/5273568.html"} {"headline":"መግለጺ ውድብ ባይቶና ዓባይ ትግራይ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ፀገም ዘይምስፋሕ ምህዳር ፖለቲካ እዩ ክብል ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐስ ተቓዋሚ ውድብ ባይቶና ዓባይ ትግራይ ገሊፁ:: እቲ ውድብ ኣብ ክልል ትግራይ ናይ ወፃኢ ሓይሊ ናይ ምክልኻል ስራሓቲ ይፍፀም ከምዘሎ: ውሽጣዊ ፀገማት ንምፍታሕ እውን ጠመተ ክግበር ይግባእ ኢሉ:: No media source currently available ጸብጻብ እቲ ውድብ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ዝሃቦ መግለፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%8A%93-%E1%8B%93%E1%89%A3%E1%8B%AD-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/5273406.html"} {"headline":"ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ሃገራት ካብ ቻይና ዝመጹ ተጉዓዝቲ ከይክልክላ ጸዊዖም","content":"ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ\/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሃገራት ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ካብ ቻይና ንዝመፁ ተጎዓዝቲ ምእታው ከይኽልክሉ ጸዊዖም። ኣብ ቻይና 361 ዝሞቱ ሓዊሱ ልዕሊ 17,000 ሰባት በቲ ቫይረስ ምልኻፎም ተረጋጊፁ’ሎ። ዶ\/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ነዚ ምሕፅንታ ዘቕረቡ ዓመታዊ ፖሊሲ ጥዕና ውድብ ጥዕና ዓለም ንምውሳን ኣብ ዝተፀውዐ ዓመታዊ ኣኼባ ፈፃሚ ቦርድ መኽፈቲ ስነ ስርዓት እዮ። ንዓለምለኸ ጉዕዞን ንግድን ዘተዓናቕፍ ዘየድሊ ስጉምቲታት ምውሳድ ኣየድልን።ሃገራት ኣብ መርትዖ ዝተመስረተ ስጉምትታት ክወስዳ ንፅውዕ ኣለና።ትካል ጥዕና ዓለም እንታይ ዓይነት ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ ዝብል ምኽሪ ንትደልይ ዝኾነት ሃገር ሓገዝ ንምሃብ ድልዋት ኢና ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B3%E1%8B%AD%E1%88%AC%E1%8A%AD%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%89%BB%E1%8B%AD%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%8C%B9-%E1%89%B0%E1%8C%89%E1%8B%93%E1%8B%9D%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%8B%AD%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%AD%E1%88%8B-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%96%E1%88%9D\/5272067.html"} {"headline":"ፕረ. ትራምፕ ንኤርትራ ወሲኾም ኣብ ልዕሊ 6 እገዳ ሕጊ ኢምግሬሽን ኣንቢሮም፡ ኤርትራ ነዚ ሓድሽ ሕጊ ተቓዊማቶ'ላ","content":"ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ ናይ ጸጥታ መዓቐኒታት ኣየማልኣን ንዝበሉወን ሽዱሽተ ሃገራት ናይ ኢምግሬሽን ሕጊ እገዳ ከምዘንብር ኣፍሊጡ። ካብ ኪርጊስታን፣ማይንማር፣ኤርትራ፣ ናይጀሪያ፣ካብ ሱዳንን ታንዛኒያን ናብ ኣሜሪካ ናብ ዝኣትው ኢሚግራንት ገለ ናይ መእተዊ ቪዛታት ሓደሽቲ እገዳታት ከምዘንበሩ ሰበስልጣን ገሊፆም። ፕረዝዳንት ትራምፕ ነቲ ሕጊ ዝቕፅል ዓርቢ ከምዝፍረመሉን ካብ 21 ለካቲት 2020 ጀሚሩ ድማ ግብራዊ ከምዝኸውን ተፈሊጡ’ሎ።ኣብ ሱዳንን ታንዛኒያን ኣብ ፕሮግራም ቪዛ ሎተሪ\/DV\/ ከይካፈሉ ዝእግድ መምርሒ ሂቦም ኣለው። መንግስቲ ኤርትራ ነቲ እገዳ ተቓዊሙዎ’ሎ።ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ኣባል ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ጆ ንጉሰን ኬረን ባስን ነቲ እገዳ ተቓዊሞምዎ ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%88%9D%E1%8D%95-%E1%8A%95%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%88%E1%88%B2%E1%8A%BE%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-6-%E1%8A%A5%E1%8C%88%E1%8B%B3-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8A%A2%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%88%AC%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%90%E1%8B%9A-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8A%E1%88%9B%E1%89%B6-%E1%88%8B\/5272029.html"} {"headline":"መስርሕ ምምስራት ክልል ሲዳማ ብሰንኪ ዘይተወድኡ ጉዳያት ይደናጉይ ምህላው ተገሊጹ","content":"ኣብ ወርሒ ሕዳር ብመሰል ርእሰ ውሳነ ክልል ምኳኑ ዘረጋገፀ ሲዳማ፡ ክልል ንምዃን ዘኽእል ምድላው እንተገበረ እውን ክፍፍል ሃብቲ ሓዊሱ ብመንግስታት ፌደራልን ክልል ደቡብን ክውድኡ ዝግብኦም ጉዳያት ብዘይምዝዛሞም እቲ መስርሕ ምድንጓዩ ምምሕዳር ዞባ ሲዳማ ኣፍሊጡ። ሲዳማ ዝረኸቦ ክልል ናይ ምዃን መሰል ብሕገ መንግስቲ ዝውዳእ ምዃኑን ክቕየር ናብ ዘይኽእል ደረጃ ምስግጋሩን ሓላፊ ፕረስ ናይቲ ዞባ ኣቶ ገነነ ኣበራ ገሊፆም። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ንምስረታ ናይቲ ክልል ንሰበስልጣን ሲዳማ፣ዞባ ጌዴኦን ፍሉይ ወረዳታት ቡርጂን ኣማሮን ክዘራረቡ ኣዚዞም ዝብል ዝመሓለለፍ ዘሎ ሓበሬታ ሓሶት ምዃኑ እውን ሓላፊ ፕረስ ናይቲ ዞባ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ገሊፆም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%B2%E1%8B%B3%E1%88%9B-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%8B%B5%E1%8A%A1-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8B%B0%E1%8A%93%E1%8C%89%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5271991.html"} {"headline":"'ኣብ ኢትዮጵያ ሰብ ይኹን ጉጅለ ብሕጊ እታ ሃገርን ብዝፈረመቶም ዓለምለኸ ሕግታትን ክግዛእ ምግባር ግዚኡ ሕጂ እዩ' ኢዜማ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ሰብ ይኹን ጉጅለ ብሕጊ እታ ሃገርን ብዝፈረመቶም ዓለምለኸ ሕግታትን ክግዛእ ምግባር ግዚኡ ሕጂ እዩ ክብል ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ\/ኢዜማ\/ ኣፍሊጡ። ኢዜማ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ ደምቢደሎ ዩኒቨርሲቲ ዝተገብረ ጭውያ መንግስቲ ህይወት ተማሃሮ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ዘይምፍጻም ዘቓልዕ’ዩ ኢሉ’ሎ። መንግስቲ ሕጊ ናይ ምኽባር ተግባሩ ብዝግባእ ስለዘይፈጸመ ከምዚ ዝበሉ ተግባራት ይረአዩ ኣለው ክብል ኣቦ መንበር’ቲ ፓርቲ ኣቶ የሽዋስ አሰፋ ተዛሪቦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%8B%AD%E1%8A%B9%E1%8A%95-%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%89%A5%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8A%A5%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%8D%88%E1%88%A8%E1%88%98%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%88%95%E1%8C%8D%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%8C%8D%E1%8B%9B%E1%8A%A5-%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%8C%8D%E1%8B%9A%E1%8A%A1-%E1%88%95%E1%8C%82-%E1%8A%A5%E1%8B%A9-%E1%8A%A2%E1%8B%9C%E1%88%9B\/5268849.html"} {"headline":"ፕረ.ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ምስ ቀ\/ሚ ኣብይ ብቴሌፎን ምዝርራቦም ተገሊጹ","content":"ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ዓርቢ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ብስልኪ ተዘራሪቦም።ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ልዝብ ናብ ስምምዕ ክቐርብ’ዩ ዝብል ተስፋ ከምዝነበሮም ብምግላፅ ንኹሎም ወገናት ዝጠቅም እዩ ኢሎም። ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ክልትኣዊ ዝምድናታትን ዞባዊ ጉዳያትን እውን ተዘራሪቦም ኣለው። እዚ ዝኸውን ዘሎ ግብፂ፣ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ግድብ ዓብይ ህዳሴ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዘካይድዎ ዘለው ዝርርብ ብዘይስምምዕ ንራብዓይ መዓልቲ ድሕሪ ምቕፃሉ እዩ።እቲ ልዝብ ንኽልተ መዓልታት ክካየድ ተመዲቡ እንተነበረ እውን ሎሚ ዓርቢ እውን ቀፂሉ ውዒሉ’ሎ።ኣብ ምምላእ እቲ ግድብ ክሰማምዑ ኣይክኣሉን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%88%9D%E1%8D%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%89%B4%E1%88%8C%E1%8D%8E%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%88%AB%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5268791.html"} {"headline":"ክልተ ምሁራት ኣብ ጉዳይ`ቲ ኣብ ኮንግረስ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ክሲን ፍርድን ፕረዚደንት ትራምፕ","content":"እቲ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ጸዲቑ ንወሳኒ ፍርዲ ናብ ባይቶ መወሰኒ ሕጊ(ሰነት) ቀሪቡ ዘሎ ጉዳይ ክሲ ካብ መዝነት ምውራድ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ሎሚ ክዛዘም`ዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ። ከምኡ ዝገብሮ ዘሎ ምኽንያት ድማ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ሪፓብሊካን ስለዝኾነ፡ ኣብ ሰነት ዘለዉ ዝበዝሑ ድማ ሪፓብሊካን ስለዝኾኑ፡ ነቲ ብደሞክራት ዝምጎት ዘሎ ክሲ ምውራድ ስልጣን ውዱቕ ክገብርዎ ይኽእሉ`ዮም ብዝብል`ዩ። ይኹን`ምበር ይብሉ ኣብ`ዚ መደብ ዝቐረቡ ኣጋይሽ ጠበቓ ሕጊ ኢሳያስ ገብረኪዳንን ነቲ መስርሕ ብቀረባ ዝከታተል ምሁር ኣቶ ግርማይ ቦኽረን፡ ውጽኢት ናይ`ቲ መስርሕ ኣብ መወዳእታ`ዚ ዓመት ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዓቢይ ጽልዋ ክህልዎ`ዩ ይብሉ። ኢትዮጵያዊ ኣቶ ኢሳያስ ገብረኪዳን ካብ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ፡ ከምኡ ድማ ኤርትራዊ ኣቶ ግርማይ ቦኽረ ካብ ቦስተን ማሳቹሰትስ፡ እቲ መስርሕ ክሲ ምውራድ ስልጣን ፕረዚደንት፡ ንኻልኦት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘለዉ ሰማዕቲ ዝህቦ ትምህርቲ`ውን ኣልዒሎም ኣለዉ። ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%9D%E1%88%81%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AE%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%8A%AD%E1%88%B2%E1%8A%95-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B5%E1%8A%95-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%88%9D%E1%8D%95\/5268686.html"} {"headline":"ኤርትራዊያን ነበርቲ ዞባ ውሃን ከባቢኣን ቻይና ብዛዕባ ኮረና ቫይረስ እንታይ ይብሉ!","content":"ኣብ መጀመርያ’ዚ ወርሒ’ዚ ንመጀመርያ ጊዜ ኣብ ውሃን ከተማ ቻይና ዝተራእየ ተላባዒ ሕማም ምስትንፋስ ኮሮና ቫይረስ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣብ 23 ሃገራት በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ውልቀሰባት ምርካቦም ተረጋጊጹ’ሎ። ኣብ ቻይና ጥራይ ቁጽሪ ዝሞቱ 213 በጺሑ’ሎ። ዝበዝሓ ሃገራት ናብ ቻይና ዘካይድኦ በረራታት ደው ኣቢለን ኣለዋ። ውድብ ጥዕና ዓለም ትማሊ ኣብ መላእ ዓለም ስግኣት ዝፈጥር ናይ ጥዕና ጸገም ምዃኑ ኣዊጁ’ሎ። ኣብቲ እቲ ሕማም ዝተራእየሉ ከተማ ውሃን ንዝለዓለ ትምህርቲ ቕድሚ ኣርባዕተ ወርሒ ናብቲ ቦታ ካብ ዝኸዱ ኤርትራዊያን ሳሙኤል ሰመረ ብዛዕባ’ቲ ኣብታ ከተማ ዘሎ ኩነታትን መነባብሮኦምን ይገልጽ። ብተመሳሳሊ ኣብ ናንጂንግ ዝተባህለት ከተማ ዝርከብ ኤርትራዊ ዮሴፍ ገብረኪዳን እውን ብዛዕባ ኣብታ ከተማ ዘሎ ህልው ኩነታት ከምዚ ክብል መብርሂ ሂቡና ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%8B%8D%E1%88%83%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%8A%A3%E1%8A%95-%E1%89%BB%E1%8B%AD%E1%8A%93-%E1%89%A5%E1%8B%9B%E1%8B%95%E1%89%A3-%E1%8A%AE%E1%88%A8%E1%8A%93-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%89%B3%E1%8B%AD-%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%89-\/5268653.html"} {"headline":"ኣቶ ለማ መገርሳ ኣብ ፈረንሳ ብዛዕባ ምሕያል ሓይሊ ኣየርን ሓይሊ ባሕርን ዘትዩ","content":"ሚንስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣቶ ለማ መገርሳ ዝመርሖ ላዕላዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ፡ ሎሚ ምስ ሚንስትር ዴኤታ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ተራኺቡ ዝዝተየ ከኸውን ምስ ሚንስተር ምክልኻልን ምስ ወታሃደራዊ ሓለቓ ስታፍን`ውን ክዘራረብ`ዩ። ዕላማ`ቲ ዑደት፡ ኣብ ዓውድታት ኣየርን ሓይሊ ባሕርን ዝውሃብ ስልጠና ኸምኡ`ውን ቀረባት ወታሃደራዊ ንዋት ዘለዎም ምትሕብባር ንምሕያል ዘኽእል`ዩ-ክብል ጸብጻብ መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ፋና ሓቢሩ'ሎ። እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ ፈረንሳ ዑደት ይገብር ኣሎ። ኣቶ ለማ ቅድሚ ናብ ፈረንሳ ምግያሹ ምስ ቀ\/ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ኣስመራ ተጓዒዙ ምንባሩ ይፍለጥ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%88%88%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%8C%88%E1%88%AD%E1%88%B3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8D%88%E1%88%A8%E1%8A%95%E1%88%B3-%E1%89%A5%E1%8B%9B%E1%8B%95%E1%89%A3-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%AB%E1%88%8D-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%8A%A3%E1%8B%A8%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%89%B5%E1%8B%A9\/5267234.html"} {"headline":"'ኣብ ኢትዮጵያ ምርጫ ቅድሚ ምክያዱ ናይ ዕርቅን ናይ መሰጋገሪ መንግስትን ክጣየሽ' ኣብሮነት ጸዊዑ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ምርጫ ቅድሚ ምክያዱ ናይ ዕርቅን ናይ መሰጋገሪ መንግስትን ክጣየሽ “ኣብሮነት” ዝተባህለ ናይ ሰለስተ ፖለቲካዊ ውድባት ጥምረት ፀዊዑ።ቦርድ ምርጫ ወሳኒ ኣካል ኣነ እየ ስለዝበለ ጥራይ ክኸውን የብሉን ዝበለ እቲ ጥምረት ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ብሕጊ ዝተውሃቦ ሓላፍነትን ግቡእን ንምፍጻም ፍቓድ ዝኾነ ይኹን ኣካል ኣይድልዮን ኢሉ’ሎ። ኣብ ቀረባ ሰሙናት ብናይ ኢትዮጵያዊያን ዴሞክራሲያዊያን ፓርቲ\/ኢዴፓ\/፤ህብር ኢትዮጵያ ፓርትን ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ምንቅስቓስን ብዝተባህሉ ውድባት ዝተጣየሸ “ኣብሮነት ናይ ኢትዮጵያ ፌደራልዊ ሓድነት’’ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ “ቐዳምነት ንሃገራዊ ድሕንነት” ኢሉ’ሎ። ኣቶ ልደቱ ኣያሌው እዚ ምስ ህልውና ሃገር ዝተኣሳሰር ምርጫ መዓስ ይካየድ ዝብል መንግስትን ፖለቲካዊ ውድባትን ኮፍ ኢሎም ክዘራረቡን ክደራደሩን ኣለዎም ኢሎም ። “ዝውሰን ዘለዎ በዚ መልክዕ ክኸውን ኣለዎ እምበር ሓደ ቦርድ ምርጫ ዝተብሃለ ኣካል ተላዒሉ ጉዳይ ምርጫ ዝምልከቶ ኣነ ጥራሕ እየ ኢሉ ዝውስኖ ነገር የለን።ምኽንያቱ ሃገርና ኣብ ዝተፈለየ ኩነታት እያ ትርከብ።” ናይቲ ሓዱሽ ጥምረት መራሒ ኣቶ ይልቃል ጌትነት እውን እታ ሃገር ዘላትሉ ኩነታት ክገልፁ ከለው 86 ሰባት ክቕተሉ ከለው፣ኣብያተ ክርስቲያንን መስጊድን ክቃፀል፣ተማሃሮ ክጭወዩ፣ዩኒቨርሲቲታት እናተዓፀው፣ካብ 35 ሽሕ- 40 ሽሕ ተማሃሮ ካብ ትምህርቶም ከቋርፁ ከለው፣ክልላት 1600 ገበነኛታት ኣይንህብን ኢሉ እናቕበፁ ናይታ ሃገር ፖለቲካ ሕክምና ዘድልዮ ስለዝኾነ ክንረዳዳእ ኣለና ኢሎም። ምኽትል ኣቦ ወንበር ኮምሽን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣቶ ውብሸት ኣየለ ብወገኖም ቦርድ ምርጫ ብሕጊ ዝተውሃቦ ስልጣንን ሓላፍነትን ንምፍፃም ካብ ዝኾነ ይኹን ኣካል ፍቓድ ኣየድልዮን ኢሎም። “በብሓሙሽተ ዓመት ምርጫ ምክያዱ ቦርድ ምርጫ ነዚ ዘፈፅም ምዃኑ ካብ ዝኾነ ይኹን ፍቓድ ክረክብ የብሉን።እቲ ሕጊ ባዕሉ እኹል እዩ።ቦርድ ምርጫ ሕጊ ናይ ምፍፃም ሓላፍነት ኣለዎ።ዝተመስረተሉ እውን ንኻልእ ዘይኮነስ ነዚ ጉዳይ እዩ።” ኣቶ ውብሸት ወሲኾም ናይቲ ምርጫ ፕሮግራም ኣብ ምውሳን ናይ መወዳእታ ሓላፍነት ናይቲ ቦርድ እዩ እውን ኢሎም ።ምርጫ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዝካየድ ምኽክር ከምዝቕፅል እውን ሓቢሮም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%89%85%E1%8B%B5%E1%88%9A-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8B%AB%E1%8B%B1-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%95%E1%88%AD%E1%89%85%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%8C%8B%E1%8C%88%E1%88%AA-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%8C%A3%E1%8B%A8%E1%88%BD-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%88%AE%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%91\/5267164.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ስድራ ዝተጨውዩ ተማሃሮ ደምቢደሎ ዩኒቨርሲቲ ምዝርራቦም ተገሊጹ","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድን ምኽትሎም ደመቀ መኮነንን ንስድራ ዝተጨውዩ ተማሃሮ ደምቢደሎ ዩኒቨርስቲ ከምዘዘራረቡዎም ተገሊጹ። ጓሎም ዝተጨወየቶም መርጌታ የኔነህ ኣዱኛ ዝተጨውዩ ተማሃሮ ብህይወት ምህላዎም ከምዝተንግሮም ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም። መርጌታ የኔነህ ጓሎም ግርማነሽ ካብ ዝተጨወዩ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ደምቢደሎ ምዃና ይዛረቡ።ንሶምን ካልኦት ክልተ ደቆም ዝተጨወዩ ስድራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ተራኺቦም ምዝርራቦም ገሊፆም። “ቀዳማይ ሚንስትር ረኺቦምና።ኩሎም ነይሮም።ምኽትሎም እውን ነይሮም፤እነ በዓል ኣቶ ንጉሱ እውን ኣለው።ኩሎም ኣብዝተረኸብሉ እዮም ደቅና ብህይወት ከምዘለዋ ዝነበሩና።ብህይወት ክሳብ ዘለው ደስ ኢሉና’ሎ።ኩነታቶም እናተኸታተሉ ከምዝገልፁልና ምስ ረኸቡዎም እውን ናባና ከምዝልእኹዎም ገሊፆምልና።” ንሶም ወሲኾም ብኣካል እንተዘይረኸብናየን እውን ብህይወት ምህላወን ኢና ንደሊ ብህይወት ምህላወን ተረዲና ኣለና ኢሎም ። ሞት ወይ ካልእ ጉድኣት ከምዘየለ ከምዝገለፁሎም ብምሕባር ብስልኪ ኣራኺቦምዎም እንተኾይኖም ተሓቲቶም ናይቶም ተምሃሮ ስልኪ ከምዘይሰርሓሎም ንመጻኢ ዝረአ ምኳኑ ብምሕባር ኣብ ጉዕዞ ስለዝነበሩ ካብዚ ንላዕሊ ክዛረቡ ከምዘይደልዩ ገሊፆም። ዝተጨውዩ ተማሃሮን ካልኦትን ነፃ ንምውጻእ ዝተጀመረ ጻዕሪ ሓይሉ ከምዝቕጽል ሰበስልጣን መንግስቲ ትማሊ ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ገሊፆም ኣለው። ብዛዕባ ብዝሒ’ቶም ዝተጨወዩ ኣመልኪቱ ዝዋሃብ ዝተፈላለየ ሓበሬታ ቅኑዕ ኣይኮነን ክብሉ እውን ትማሊ ረቡዕ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀ\/ሚ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃቡ ሓላፊ ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ዝርከብዎም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ምሕባሮም ይፍለጥ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%B5%E1%8B%B5%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%A8%E1%8B%8D%E1%8B%A9-%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%83%E1%88%AE-%E1%8B%B0%E1%88%9D%E1%89%A2%E1%8B%B0%E1%88%8E-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%89%A8%E1%88%AD%E1%88%B2%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%88%AB%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5267127.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ ሃረር ብዝተላዕለ አድማ ኣብያተ ንግዲ ቤት ጽሕፈት መንግስቲን ጎደናታት ከምዝተዓጽው ተገሊጹ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ወለጋ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ይወስዶ ኣሎ ዝበሉዎ ስጉምቲ ብምቅዋም ኣብ ከተማ ሃረር ዝተኻየደ አድማ ትካላት ንግድን ኣብያተ ፅሕፈት መንግስትን ክዕፀው ኣገልግሎት መጎዓዚያ ድማ ክቋረፅ ከምዘገደደ ተፈሊጡ።ኣብ ደቡብ ክልል ነበርቲ ከተማ ቴፒ ድማ ብስእነት ፀጥታ ኣብ ስግኣት ወዲቕና ኣለና ይብሉ ኣለው። ሎሚ ረቡዕ ምንቅስቓሳት ከተማ ሃረር ካብ ንጉሆ ጀሚሩ ተደሪቱ ውዒሉ’ሎ።ወነንቲ ትካላት ንግዶም ክዓፅው ብመናእሰይ ከምዝነተነገሮምን ክኸፍቱ ዝፈተኑ እምኒ ከምዝተደርበዮምን ሽሞም ክገልፁ ዘይደለዩ ነበርቲ ገሊፆም።ወራርን ምቅፃል ንብረትን ኣይነበርን፤መንግዲ ንምዕፃው ግን ኣብ ጎደናታት ጎማታታት ከምዝነደዱ ተፈሊጡ’ሎ። ኣብያተ ፅሕፈት መንግስትን ባንክታትን ተዓፂዮም ውዒሎም። ሓይልታት ፀጥታ ዝተዓፀው መንገድታት ክኸፍቱ ከለው ሓይልታት ፀጥታ ዘይነበሩዎም ከባቢታት ተዓፂዮም ምውዓሎም ምንጭታት ሓቢሮም። ምኽንያት ናይቲ ኣድማ ብዝምልከት ርእይትኡዝሃበ ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለየ መንእሰይ ከምዚ ኢሉ። “ኣብ ዞባታት ሃረርጌን ወለጋን ኣብ ልዕሊ ኦሮሞ ይፍፀም ዘሎ መጥቓዕቲ ንምቅዋም ኢና እዚ ኣድማ ነካይድ ዘለና።” እቲ ኣድማ ንሰለተ መዓልታት ከምዝቕፅል እቲ መንእሰይ ሓቢሩ።ተመሳሳሊ ኣድማን ምዕፃው መንገድታትን ኣብ ከተማታት ቆቦን ኣወዳይን ከምዝነበረ ምንጭታት ገሊፆም። ካብ ፖሊስ፣ቢሮ ፍትሕን ፀጥታን ከምኡ እውን ቤት ፅሕፈት ኮሚኒኬሽን ርእይቶ ንምርካብ ዝተገበረ ፈተነ ኣይሰለጠን። ብኻልእ ዜና ኣብ ክልል ደቡብ ነበርቲ ከተማ ቴፒ ብስእነት ድሕነትን ፀጥታን ኣብ ስግኣት ወዲቕና፤ምኽንያቱ መንግስቲ ንገበነኛታት ናብ ሕጊ ስለ ዘየቕርቡዎም ኢሎም። ሽሞም ክገልጹ ዘይደለዩ ነባሪ ናይታ ከተማ ብስግኣት ፀጥታ ስሩዕ ምንቅስቓስ ዝተደረተ እዩ ኢሎም።ስቪላት ብዘስካሕክሕ ኩነታት ከምዝቕተሉን ንብረቶም ይውረሩ ከምዘለውን ገሊፆም። “ሰለስተ፣ኣርባዕተሚእቲ ሽሕ ህዝቢ ካብ ገዛ ከይወፅእ፣መኪና፣መጎዓዚያ ዝኾነ ይኹን ከይንቀሳቐስ፣ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ከይኽፈቱ እናተገብረ እቲ ህዝቢ ኣብ ዝለዓለ ፀገም እዩ ዝርከብ። “ ኣቶ ፍረህይወት ወርቁ ዝተባህሉ ነባሪ ፀጥታ ናይቲ ከባቢ ክሕሉ ሓላፍነት ዝተውሃቦ ግዚያዊ ወታደራዊ እዚ እውን ሰላም ከረጋግፅ ኣይክኣለን ኢሎም ። ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ናይቲ ክልል ኣቶ ኣንድነት ኣሸናፊ ዝሸፈተ ጉጅለ ከምዘሎ ብምሕባር ፀረ ሰላም ሓይልታት ዝበሉዎም ብድሕሪት ተሰሊፎም ንናይ ቴፒን ከባቢኡን ሰላም እናዘረጉ ምዃኖም ሓቢሮም። ናይቲ ክልል መንግስቲ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ኣየቕርብ ንዝብል ክሲ ነባሪ ፍታሕ ዝረጋገፅ ኩሉ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ከሎ እዩ ኢሎም። ኣብቲ ከባቢ ሰላም ካብ ዝጠፍእ ክልተ ዓመት ይኸውን ከምዘሎን ብርክት ዝበሉ ነበርቲ ንሞት፣ጉድኣት ኣካልን ዕንወት ንብረትን ተቓሊዖም ኣሽሓት ነበርቲ ድማ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ክብል ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%83%E1%88%A8%E1%88%AD-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88-%E1%8A%A0%E1%8B%B5%E1%88%9B-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AB%E1%89%B0-%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%8B%B2-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8C%BD%E1%88%95%E1%8D%88%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%8C%8E%E1%8B%B0%E1%8A%93%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8C%BD%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9-\/5265561.html"} {"headline":"ፕረ. ሶማል ኣብ ኤርትራ ዘካየድዎ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ዛዚሞም ናብ ሃገሮም ተመሊሶም","content":"ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብደላሂ መሓመድ ኣብ ኤርትራ ዘካየድዎ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ሎሚ 28 ጥሪ፡ 2020 ናብ ሃገሮም ተመሊሶም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5%E1%8B%8E-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%9E%E1%88%9D-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%8A%E1%88%B6%E1%88%9D\/5264102.html"} {"headline":"ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ኣዋጅ ሓዱሽ ኣወዳድባ ወረዳታት ትግራይ ኣፅዲቑ","content":"ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ኣዋጅ ሓዱሽ ኣወዳድባ ወረዳታት ትግራይ ኣፅዲቑ:: እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ጉባኤኡ ንፈለማ ጊዜ ፀብፃብ ስራሕ ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ ትእምት እውን ሰሚዑ ኣፅዲቑ ኣሎ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%8C%85-%E1%88%93%E1%8B%B1%E1%88%BD-%E1%8A%A3%E1%8B%88%E1%8B%B3%E1%8B%B5%E1%89%A3-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%8D%85%E1%8B%B2%E1%89%91\/5264060.html"} {"headline":"ኤርትራውያን ኣብ ሽልማት ግራሚ ኤርሚያስ ኣስገዶም (ኒፕሲ ሃስል)","content":"ቅድሚ ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ኣብ ዝተኻየደ መበል 62 ሽልማት ግራሚ፡ ዝሓለፈ ዓመት ዝተቐትለ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ራፐር ኤርሚያስ ኣስገዶም ክልተ ሽልማት ረኺቡ’ዩ። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ሽልማት ግራሚ፡ ንዝኽሪ ኒፕሲ ሃስል ኣብ ዝቐረበ ሙዚቃዊ ምርኢት፡ ሳዕሳዕቲ ንባህላዊ ኣልባሳት ኤርትራ ተኸዲኖም ምርኢት ኣቕሪቦም ኔሮም። ተወልደ ወልደገብርኤል ዘዘራረቦም ሰለስተ ኤርትራውያን ነበርቲ ኣሜሪካ ፡ ኣምባሳጅር ብርሃነ፡ ፈቨን ወረደ፡ መኮነን ገብረማርያም ርእይቶታቶም ሂቦም ኣለዉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%BD%E1%88%8D%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%88%9A-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%88%9A%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%8C%88%E1%8B%B6%E1%88%9D-(%E1%8A%92%E1%8D%95%E1%88%B2-%E1%88%83%E1%88%B5%E1%88%8D)\/5263893.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ኣርባዕተ ብኮሮና ቫይረስ ዝተጠርጠሩ ውልቀሰባት ኣብ ተነጽሎ ከምዘለው ተሓቢሩ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሎሚ ናይ ኖቬል ኮሮና ቫይረስ ከምዘይተረኸበ ሚንስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።በቲ ሕማም ዝተጠርጠሩ ካብ ዞባ ውሃን ቻይና ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተው ኣርባዕተ ሰባት እውን ካብ ቻይና ንዝመፁ ተጎዓዝቲ ኣብ ዝተፈለየ መፅንሒ ኣብ ምክትታል ከምዘለው ኣብ ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሚንስትር ድኤታ ዶ\/ር ሙኒር ካሳ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም። “ኣብዚ ሰዓት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብኮረና ቫይረስ ዝተታሕዘ ዋላ ሓደ ሰብ የለን።ነገር ግን ምናልባሽ ኮረና ቫይረስ ክህልዎም ይኽእል እዩ ኢልና ዝጠርጠርናዮም ኣርባዕተ ሰባት ምስ ካልእ ሕብረተሰብ ከይራኸቡ ኣብ ኳራንታይን ወይም ኣብ ፍሉይ መፅንሒ ኣብ ክትትል ኣለው።” ዶ\/ር ሙኒር ካሳ ኣርባዕቲኦም ተማሃሮ ምዃኖምን ሰለስቲኦም እቲ ቫይረስ ብብዝሒ ካብ ዝረአየላ ዘሎ ክፍለ ግዝኣት ውሃን ከምዝመፁን ሓቢሮም።ምርመራ ተኻይዱሎም ነፃ\/ነገቲቭ\/ ምዃኖም ብምሕባር ናይ መወዳእታ ውፅኢት ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ መፀ ከምዝግለፅ ሓቢሮም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%88%AD%E1%89%A3%E1%8B%95%E1%89%B0-%E1%89%A5%E1%8A%AE%E1%88%AE%E1%8A%93-%E1%89%AB%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%A0%E1%88%AD%E1%8C%A0%E1%88%A9-%E1%8B%8D%E1%88%8D%E1%89%80%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B0%E1%8A%90%E1%8C%BD%E1%88%8E-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9-\/5263878.html"} {"headline":"ቲቦር ናዥ ኣብ ከተማ መቐለ ወግዓዊ ምብጻሕ ፈጺሞም","content":"ሓጋዚ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ: ኣብ ከተማ መቐለ ወግዓዊ ምብጻሕ ፈጺሞም። ቲቦር ናዥ ምስ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ረይነር ብምዃን ናብ ከተማ መቐለ ብምብጻሕ፡ ነቲ ብምትሕብባር መንግስቲ ኣሜሪካን ዩኒቨርሲቲ መቐለን ዝተሃነፀ መናእሰይ ዝጥቀምሉ ማእኸል ‘ኣሜሪካን ኮርነር’ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም መሪቖም ከፊቶም ኣለው። እዚ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ቐፅሪ ዓዲ ሓቂ ዝተመረቐ ማእከል ኣብ ኢትዮጵያ ሓምሻይ ምዃኑ ተገሊፁ’ሎ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B2%E1%89%A6%E1%88%AD-%E1%8A%93%E1%8B%A5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8B%88%E1%8C%8D%E1%8B%93%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%9E%E1%88%9D-\/5262440.html"} {"headline":"‘’ብምንኣስ ዓቕሚ ከይኮነስ ብፖለቲካዊ ምኽንያት እየ ተላዒለ’’ ወ\/ሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዛብሄር","content":"ምኽትል ኣዶወንበር ህወሓትን ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ምንስቴር ምንስትሪ ንግድን ኢንዱስተሪን ኢትዮጵያ ዝተልዓላን ወ\/ሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዛብሄር\/ሞንጆሪኖ\/ ኣብ ቀረባ ካብ ምንስቴርነት ንግድን ኢንዱስቱሪን ኢትዮጵያ ዝተልዓላሉ ምኽንያት ፖለቲካዊ እዩ ኢለን። ኣቐባሊ ቃል ፕሮስፖርቲ ፓርቲ ኣቶ ኣወሉ ኣብዲ ምስ ቪኦኤ ኣብዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ወ\/ሮ ፈትለወርቂ ካብ ምንስትርነት ሓደ ካሊእ ድማ ካብ መሪሕነት ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ዝተልዓልሉ ምኽንያት ብስእነት ዓቕሚ፣ኮነ ኢልካ ምጉታት ህዝባዊ ኣገልግሎታት ብፍጣርን ብሓፈሻ ብፀገማት ኣፈፃፅማ ስራሕቲ እዩ ኢሎም። ወ\/ሮ ፈትለወርቅ ነዚ ክሲ ብትሪ ብምንፃግ ሓለቕአን ብዝኾኑ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ፣ብካብኔትን ብፓርላማን ከምዚ ዝብል ገምጋም ቀሪቡለን ከምዝየፈልጥ ገሊፀን።የግዳስ ብዛዕብአን መሳርሕተንን ተገልጋላይ ህዝቢን ተዝዛረቦ ዝሓሸ እንተኾነ ይመርሕኦ ዝነበራ ምንስቴር ሓደሽቲ ኣሰራርሓታት ብምትእትታው ብኣወንታ ክግምገም ከምዝፀንሐን ሓቢረን። ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን ዘሎ ወጥሪ ነታ ሃገር ናብ ሓደገኛ ኩነታት ክመርሕ ከምዝኽእል ዝገለፃ ወ\/ሮ ፈትለወርቅ ህወሓት ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈላለዩ መጥቓዕታት ይፍነው እንተሃለወ እውን ብትዕግስቲ እናሰገሮም ከምፀንሐን ነገራት ናብ ሓደገኛ ኩነታት ቅድሚ ምኻዱ ፌደራል መንግስቲ ነገራት ብትዕግስቲ ናይ ምእላይ ሓላፍነት ኣለዎ ኢለን። ምሉእ ትሕዝቱኡ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/interview-with-tplf-vice-chairperson-and-former-minister-of-trade-and-industry-of-ethiopiainistry-fetlework-gebregziabher\/5261979.html"} {"headline":"ብሰልፈኛታት ተዓጽዩ ዝቐነየ መስመር መቐለ ሳምራ ተኸፊቱ","content":"ወረዳ ናይ ምኻን ሕቶ ዘለዎም ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ዓፅዮሞ ዝፀንሐ መንገዲ መቐለ - ሳምረ ተኸፊቱ:: ተወከልቲ እቲ ከባቢ ምስ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤ ኣብቲ ጉዳይ ጠሚቱ ከምዝዘተዩ ተገሊፁ:: ብወረዳ ናይ ምውዳብ ጉዳይ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣብያተ ምኽሪ ጣብያታት ክውሰን ክግበር እዩ ተባሂሉ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%88%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8C%BD%E1%8B%A9-%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%8A%90%E1%8B%A8-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%88%B3%E1%88%9D%E1%88%AB-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%8D%8A%E1%89%B1\/5259383.html"} {"headline":"ኢትዮጵያዊያን ተወላዶ ኦሮሞ ኣብ ክልል ኦሮምያ ይፍጸም ኣሎ ዝበልዎ ግህሰት ብምቕዋም ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ሰልፊ አካይዶም","content":" ኢትዮጵያዊያን ተወላዶ ኦሮሞ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ይፍፀም ኣሎ ዝበሉዎ መግሃስቲ ብምቅዋም ሎሚ ዓርቢ ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዋይት ሃውስን ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃእን ድምፆም ከስምዑ ውዒሎም። እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ይፍፀም ኣሎ ዝበሉዎ መግሃስቲ ብምቅዋም ድምፆም ንምስማዕ ከምዝተኣኻኸቡ ካብ ኣተሓባበርቲ ሓደ ዝኾኑ ኣቶ እክንድር ኣብደታ ገሊፆም። “ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ሰልፊ ህዝብና ፈቐዱኡ እናተቐትለ፣ካብ መንበሪኡ እናተመዛበለ፣ተማሃሮ፣ገባራት፣ነበርቲ ከተማ ከይተረፉ ዝለዓለ ጉድኣት ይወርዶም ስለዘሎ ንመንግስታት ዓለም፣ንመንግስቲ ኣሜሪካ ብሓፈሻ ክሰምዕ ንዝኽእል ኩሉ ድምፂ ክንኾኖም ኣለና ኢልና ኢና ወፂኢና ዘለና።” ኣቶ እስክንድር ሰልፈኛታት ይፍፅም ኣሎ ዝበሉዎ በደል ኣብ ምሉእ ኦሮሚያ’ዃ እንተኾነ ብፍላይ ግን ምዕራብ ኦሮሚያ ብኮማንድ ፖስት እናተመሓደረ ኣገልግሎታት ስልኪ፣ማይ፣ሓይሊ ኤሌትሪክ፣ኩሎም መሰረታዊ ዝበሃሉ ኣገልግሎታት ተቋሪፆም እቲ ህዝቢ ኣብ ኣዚዩ ከቢድ ኩነታት ይነብር ኣሎ ኢሎም ። ዕጡቓት ኦነግ ኣብ ዝንቀሳቐሱሎም ምዕራብን ደቡብን ኦሮሚያ መንበሪ ኣባይቲ እናቃፀሉ፣ንሰባት ይዕፍኑ፣ቅትለት ይፍፅሙ ንዝብል ኣቶ እስንክድር ዝቐትሉን ዝዕምፁን ዘለው ወታደራት መንግስቲ ምዃኖም ኢና ንፈልጥ ኢሎም። ሰልፈኛታት የስምዕዎም ካብ መንጎ ዝነበሩ ጭርሖታት “ስርዓት ኢትዮጵያ ንኩሎም ፖለቲካዊ እሱራት ኦሮሞ ክፈትሕ ንሓትት፣መንግስቲ ኣብይ ኣብ ኦሮሚያ ከፋፊልካ ግዛእ ጠጠው የብል’’ዝብሉ ይርከቡዎም። ርእይቶ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B6-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9E-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8B%AD%E1%8D%8D%E1%8C%B8%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%8D%E1%8B%8E-%E1%8C%8D%E1%88%85%E1%88%B0%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%89%95%E1%8B%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8B%E1%88%BD%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%89%B0%E1%8A%95-%E1%8B%B2%E1%88%B2-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D\/5259355.html"} {"headline":"ህውሓት ካብ መዝነቶም ዝተላዕሉ አባላቱ ብሰንኪ አባልነት ፓርቲኦም ጥራይ’ዩ ክብል ከሲሱ","content":"\"ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣመራርሓ ህወሓት ብምኳኖም ጥራሕ ካብ መንግስቲ ፌዴራልን ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባን ካብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ክልዓሉ ይግበር ኣሎ\" ብምባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ከሲሱ:: እቲ ኮሚቴ ትማሊ ምሸት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ \"ንኣባላትን ኣመራርሓን ህወሓት ካብ ስልጣን ምልዓል ስዒቡ ዝፍጠር ኩነታት ተሓታቲ ነዚ ዘይሕጋዊ ተግባር ይፍፅም ዘሎ ኣካል እዩ\" ኢሉ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%89-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B1-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8C%A5%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%A9-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%A8%E1%88%B2%E1%88%B1\/5257843.html"} {"headline":"ኣባላት ሕወሓት ዝኾኑ ገለ ሰበ-ስልጣን ካብ ሓላፍነት ዝተኣልዩ ብዘርኣይዎ ናይ ኣፈጻጽማ ድኽመት`ዩ` ብልጽግና ፓርቲ","content":"እቲ ዝተገብረ ምውራድ ስልጣን፡ ምስ ካልእ ዝኾነ ይኹን ምትሕሓዝ የብሉን ዝበለ ብልጽግና ፓርቲ፡ ካብ ክልል ትግራይ ዝኾኑ ስራሕ ብግቡእ ክፍጽሙ ዝኽእሉ ሰበ-ስልጣን ተኪኦም ክሰርሑ`ዮም ኢሉ። ወሃቢ-ቓል ብልጽግና ፓርቲ ኣቶ ኣወሉ ኣብዲ፡ እቲ ምኽንያት ምውራድ ስልጣን ድኽመት ኣፈጻጽማ ስራሕ`ዩ ይብል። “ ሓላፍነት መንግስቲ ዝብሃል፡ ነቲ ዘሎ መስመርን ራእን ተልእኮን ብግቡእ ዝፍጽም`ዩ” ስለዚ ብመንግፍስቲ ዝተዋህቦም ሓላፍነት ብግቡእ ኣብ ክንዲ ምፍጻም ነገራት ብምጉታትን ኣገልግሎት ህዝቢ ብግቡእ ዘይምሃብን፡ ብፍላይ ድማ እዞም ለንቅነ ካብ ስልጣን ዝተወገዱ ሰበ-ስልጣን ናይ ኣፈጻጽማ ድኽመት ዝተራእዮም`ዮም ንቐጻሊ`ውን መንግስቲ ኣብ ዝኾነ እዋን ተኸታቲሉ ዘፈጽሞ ተግባር`ዩ ዝኸውን ኢሉ ወሃቢ ቃል ብልጽግና ፓርቲ። “ኣባላት ሕወሓት ስለዝኾኑ ዘይኮነስ፡ ወይ ትግራዎት ስለዝኾኑ ዘይኮነስ ኣብ ኣፈጻጽማ ስራሕ ብዘርኣይዎ ድኽመት`ዩ። ኮነ ኢሎም ጸገማት ብምፍጣር ዝገብርዎ ነገር ስለዝነበረ፡ ብእኡ ምኽንያት`ዩ እቲ ምቅይያር ስልጣን ተገይሩ” ለንቅነ መጠነኛ ናይ ስልጣን ለውጢ ዝግበረ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ምንስተር ንግድን ኢንዱስትሪን፡ ምኽትል ኣደ-መንበር ሕወሓትን ወ\/ሮ ፈትለወርቅ ገብረዝግኣብሔር(ሞንጀርኖ) ብኻልእ ተሿሚ ተኪእዋ`ሎ። ካልእ ድማ ምኽትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ኣቶ ሰለሞን ኪዳነ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8A%BE%E1%8A%91-%E1%8C%88%E1%88%88-%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%8B%A9-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%88%AD%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8B%8E-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8C%BB%E1%8C%BD%E1%88%9B-%E1%8B%B5%E1%8A%BD%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%8B%A9-%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%8C%BD%E1%8C%8D%E1%8A%93-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2\/5257822.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣርባዕተ ዞባታት ደቡብ ክልል ብዝተራእየ ሕማም ኮሌራ 18 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ደቡብ ክልል ዝተራእየ ለበዳ ሕማም ኮሌራ 18 ሰባት ምሟቶምን ካልኦት ልዕሊ 1,300 ሰባት በቲ ሕማም ምልካፎምን ቤት ጽሕፈት ጥዕና’ቲ ክልል ኣፍሊጡ። ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ክትትል ሃንደበታዊ ሕማማት ኣቶ እንዳሻው ሽብሩ ኣብ ዞባታት ደቡብ ኦሞ፣ጎፋ፣በጋሞን ኮንሶን ከምኡ እውን ኣብ ፍሉይ ወረዳ በኣሌ ብሰንኪ ዝተለዓለ ለበዳ ካብ ዝሓመሙ 1,300 ሰባት 50 ሚእታዊት ኣብ ደቡብ ኦሞ ዝርከቡ እዮም ኢሎም። ኣቶ እንዳሻው ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ውሽጢ መዕልታት ህይወት ሽዱሽተ ሰባት ዘጥፍአ ሕማም ለበዳ ኮሌራ ኣብ ዞባ ደቡብ ኦሞ ድማ ንህይወት 18 ሰባት ኣጥፊኡ’ሎ ኢሎም ። “ዳርጋ ኩሎም ኣብ ፈላማይ መዕልቲ እዮም ሞይቶም።እቲ ህዝቢ ሓበሬታ የብሉን።ካብ መንጎ እቶም ዝሞቱ ኣርባዕተ፣ሓሙሽተ ኣብ ሕክምና ሞይቶም፤መብዛሕቲኦም ግን ኣብ ገዝኦም ከለው፣ሓበሬታ ከይረኸቡ ህይወቶም ስኢኖም።” ለበዳ ሕማም ኮሌራ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ጥዕና ፈተና ኮይኑ ምቕፃሉን መንቀሊኡ ድማ ሕፅረት ጽሬትን ዝስተ ማይን ከምኡ እውን ጉድለት ከባቢያዊ ጽሬት ምዃኑ ተሓቢሩ’ሎ። እቲ ሕማም ከይሰፍሕ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ምስ ኣብያተ ፅሕፈት መንግስትን ዓለምለኸ ትካላትን ብምኳን ናይ ምክልኻል ስርሓት ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊጹ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%AD%E1%89%A3%E1%8B%95%E1%89%B0-%E1%8B%9E%E1%89%A3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%A5%E1%8B%A8-%E1%88%95%E1%88%9B%E1%88%9D-%E1%8A%AE%E1%88%8C%E1%88%AB-18-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5257806.html"} {"headline":"'ኣብ በዓል ጥምቀት ጎንደር መጥቓዕቲ ክፍጽሙ ዝፈተኑ ብህውሃት ዝተላእኹ’ዮም' ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ","content":"ብሚሊዮን ዝቑፀር ህዝቢ ኣብዝተኻፈለሉ በዓል ጥምቀት ጎንደር መጥቓዕቲ ግብረሽበራ ክፍፅሙ ዝፈተኑ ብህውሓት ዝተልኣኹ ውልቀ ሰባት እዮም ክብል ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ። ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ እቲ ክልል ኮማንደር ጌታቸው ብርሌ መንነት እቶም ተጠርጠርቲ ኣብ ቀረባ ክግለፅ ምዃኑ’ውን ገሊጾም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8C%A5%E1%88%9D%E1%89%80%E1%89%B5-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%8C%BD%E1%88%99-%E1%8B%9D%E1%8D%88%E1%89%B0%E1%8A%91-%E1%89%A5%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%83%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8A%A5%E1%8A%B9-%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%8B%9B%E1%8B%9A-%E1%8D%8D%E1%88%89%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5\/5257689.html"} {"headline":"ኤርትራ ትርከበን 7 ሃገራት ኣብ መዝገብ እገዳ መገሻ ኣሜሪካ ክውሰኻ ውጥን ከምዘሎ ተገሊጹ","content":"ምምሕዳር ትራሞፕ ኣብ መዝገብ እገዳ መገሻ ካብ ዝመዝገበን ሃገራት ብተወሳኺ 7 ካልኦት ሃገራት ንምውሳኽ ውጥን ከምዘሎ ጸብጻብ መሓውራት ዜና ኣሜሪካ ኣፍሊጦም። ትማሊ ኣብ መሓውራት ዜና ኣሜሪካ ዝወጸ ጸብጻብ ኤርትራ ትርከበን ሽዱሽተ ሃገራት ኣብዚ መዝገብ እገዳ መገሻ ሃገራት ክውሰኻ ውጥን ከምዘሎ ሓቢረን። እተን ኣብቲ መዝገብ ክውሰኻ ዝተወጠነ ሃገራት ኤርትራ፡ቤላሩስ፡ኪርጊስታን፡ማይነማር፡ናይጀርያ፡ሱዳንን ታንዛንያን ምዃነን መሓውራት ዜና ኣሜሪካ ሓቢረን ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%B5%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A0%E1%8A%95-7-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%89%A5-%E1%8A%A5%E1%8C%88%E1%8B%B3-%E1%88%98%E1%8C%88%E1%88%BB-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%AD%E1%8B%8D%E1%88%B0%E1%8A%BB-%E1%8B%8D%E1%8C%A5%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5256258.html"} {"headline":"ዝዓበየ ረቛሒ ምርጫ 2020 ኣሜሪካ መስርሕ ፍርዲ ፕረዚደንት ትራምፕ ኽከውን'ዩ ተባሂሉ","content":"ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ካብ መዝነቶም ክወርዱ ዝብል ውሳነ ካብ ዘሕለፈሎም መበል ሳልሳይ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ኮይኖም ኣለው።ንሶም ብቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ካብ መዝነቶም ክወርዱ ዝተወሰነሎም ግን ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዳግም ዝተዓወቱ ፈላማይ ፕረዚደንት ብምዃን ታሪኽ ንምስራሕ ተስፋ ኣለዎም፤ሰኔት ነፃ ክገብሮም’ውን ትፅቢት ኣሎ። ፕረዚደንታዊ ምርጫ 2020 ናብ ወሳኒ ምዕራፍ ኣብ ዝተሰጋገረሉ ሕጂ እዋን እቲ ካብ መዝነት ናይ ምውራድ ድራማ ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ በፂሑ’ሎ። መስርሕ ካብ መዝነት ምውራድ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ሰኔት’ታ ሃገር ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ’ሎ።ፕረዚደንት ትራምፕ ግን ንደገፍቶም ምርጫ 2020 እንታይ ከምዝመስል ከምዚ ክብሉ ተዛረቡ። “ንሕና ስልጣን ናባኹም ናብ ህዝቢ ኣሜሪካ ኢና ንመልሶ ዘለና።ብሓገዝኩም፣ብተወፋይነትኩምን ባህግኹምን ኣብ ስራሕ ምውፋርኩም ክቕፅል እዩ።ቃልስና ቀፃሊ እዩ፤ ዓወትና እውን ኣይተርፍን”። ከም ናንሲ ፍረይ ዝኣመሰሉ ደገፍቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ብምንቅስቓስ ትራምፕ ሕጉሳት እዮም። “ኣብ ምሉእ ሃገር ፅቡቕ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ።በብዕለቱ ንዓና እዩ ዝቃለስ ዘሎ።ምስዚ ኩሉ ዕንቅፋት ከመይ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣይፈልጥን፣ግን ይሰርሕ ኣሎ።ንባዕሉ ይኹን ንኹላትና ፅቡቕ እዩ።” ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዳግመ ምርጫ ትራምፕ ዓብዪ ተፅዕኖ ዘለዎ ሕገ መንግስታዊ መስርሕ ይኻየድ ኣሎ።ነቲ መጋባእያ ይመርሑዎ ዘለው ዋና ዳኛ ጆን ሮበርትስ ኣብ ስነስርዓት ቃለ መሓላ ንሰኔተራት ከምዚ በሉዎም። “ብመሰረት ሕገ መንግስትን ሕግን ብዘይኣድልዎ ፍትሒ ክትህቡ ኣምላክ ይሓግዝኩም።” ሰኔት ብዴሞክራሲያዊያን ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝቐርብ ክሲ ሰሚዖም ክፈርዱ ኮፍ ኢሎም ኣለው።ኣባል ኮንግረስ ኣዳም ሺፍ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ፀቕጢ ፈጢሮም ክብሉ ኸሲሶም ኣለው። “ፕረዚደንት ትራምፕ ከምዚ ኣገባብ ኣብ ስልጣኖም ክቕፅሉ እንተድኣ ተፈቒዱሎም ንሕገ መንግስቲ ስግኣት እዩ።” ሰኔት ንትራምፕ ነፃ ክገብሮምን ኣብ ስልጣኖም ክቕፅሉን ሰፊሕ ትፅቢት ኣሎ። ከይዲ ናይቲ መጋባእያ ንውፅኢት እቲ ምርጫ ክፀልዎ ከምዝኽእል ጆን ፎርቲየር ዝተብሃለ ተንታኒ ይገልፅ። ዝተመዝገበ ቁጠባዊ ዕብየትን ወፍሪ ምርጫ ኣብ ምክያድ ብዘለዎ ብልጫን ትራምፕ ከምዝርብሑ ጂም ካስለር ዝተብሃለ ተንታኒ ይዛረብ። መፃኢ ዕጫ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ኣብ ሰኔት ክውሰን እዩ።ወሃብቲ ድምጺ ድማ ኣብ ሕዳር 2020 ናይ መወዳእታ ፍርዶም ክህቡ እዮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%9D%E1%8B%93%E1%89%A0%E1%8B%A8-%E1%88%A8%E1%89%9B%E1%88%92-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-2020-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%88%9E%E1%8D%95-%E1%8A%BD%E1%8A%A8%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8B%A9-%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%82%E1%88%89\/5256010.html"} {"headline":"ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ጋቦን 2020 ተዓዊቱ","content":"ኣብቲ ሎሚ ዝተኻየደ 186 ኪ.ሜ ዝሸፍነ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ጋቦን 2020 ተወዳዳራይ ጋንታ ኒፖ ደልኮ ፕሮቨንስ ዝኾነ ኤርትራዊ ቢንያም ሃይሉ ውድድሩ ብ4 ሰዓት 16 ደቂቕን 28 ሰከንድን ብምዝዛም ቐዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ’ሎ። ፈረንሳዊ ጆርዳን ሌቫሶር ካልኣይ ፈረንሳዊ ማኑኤል ሞሪን ድማ ሳልሳይ ብምኳን ውድድሮም ዛዚሞም ኣለው። ኤርትራዊያን ሄኖክ ሙሉብርሃንን ናትናኤል ተስፋጽየን ድማ ሓሙሻይን ሻዱሻይን ደረጃ ብምርካብ ውድድሮም ዛዚሞም ኣለው። ብሓፈሻዊ ውህሉል ነጥቢ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ጋቦን 2020 ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽየን ቐዳማይ ፈረንሳዊ ጆርዳን ሌቫሶር ካልኣይ ፈረንሳዊ ኢማኑኤል ሞሪን ድማ ሳልሳይ ደረጃ ረኺቦም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%89%A2%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%88%9D-%E1%8C%8D%E1%88%AD%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B3%E1%88%8D%E1%88%B3%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%8A%BD-%E1%8B%99%E1%88%AD-%E1%8C%8B%E1%89%A6%E1%8A%95-2020-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%8A%E1%89%B1\/5255838.html"} {"headline":"ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽየን ኣብ ካልኣይ መድረኽ ዙር ጋቦን 2020 ተዓዊቱ","content":"ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽየን ኣብቲ ሎሚ ዝተኻየደ 107 ኪ.ሜ ዝሸፈነ ውድድር ካልኣይ መድረኽ ዙር ጋቦን 2020 ቀዳማይ ብምዃን ተዓዋቲ ኮይኑ’ሎ። ኣልጀርያዊ ዮሱፍ ሩጉጊ ካልኣይ ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ድማ ሳልሳይ ብምኳን ውድድሮም ዛዚሞም ኣለው። በዚ መሰረት ብውህሉል ነጥቢ ካልኣይ መድረኽ ዙር ጋቦን 2020 ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽየን ቀዳማይ፡ኤርትራዊ ዳዊት የማነ ካልኣይ ኣልጀርያዊ ዮሱፍ ሩጉጊ ሳልሳይ ብምዃን ዕውታት ኮይኖም ኣለው። ኣብቲ ካብ 20 ጥሪ ክሳብ 26 ጥሪ ዝካየድ ዘሎ ዙር ጋቦን 2020 ሽዱሽተ አባላት ዝሓዘት ሃገራት ጋንታን ኣብ ካል ኦት ጋንታታት ዝወዳደሩ ክልተ ኤርትራዊያን ሓዊሱ ሸሞንተ ኤርትራዊያን ተቐዳደምቲ ይሳተፉ ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%93%E1%89%B5%E1%8A%93%E1%8A%A4%E1%88%8D-%E1%89%B0%E1%88%B5%E1%8D%8B%E1%8C%BD%E1%8B%A8%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A3%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%8A%BD-%E1%8B%99%E1%88%AD-%E1%8C%8B%E1%89%A6%E1%8A%95-2020-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%8A%E1%89%B1\/5254337.html"} {"headline":"ኣከባብራ በዓል-ጥምቀት ኣብ ኤርትራ","content":"በዓል-ጥምቀት ብተኸተልቲ እምነት ክርስትና ኣብ ኤርትራ ብክብ ዝበለ ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓት ተኸቢሩ።ኣብ ኣስመራ ማይ ጥምቀት ኣብ ዝተኻየደ ኣከባብራ ፡ጻዕዳ ባህላዊ ክዳን ብዝለበሱ ነበርቲ ኣስመራን ከባቢኣን ማዕሪጉ ሃይማኖታዊ ትሕዝቶኡ ሓልዩ ብድምቀት ተከቢሩ`ሎ።ማይ ጥምቀት ብመራሕቲ ሃይማኖት ድሕሪ ምብራኩ ከኣ ህዝቢ ተጠሚቑ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%AB-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8C%A5%E1%88%9D%E1%89%80%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB\/5253040.html"} {"headline":"በዓል ጥምቀት ኣብ ትግራይ ኣብ ከተማታት ማይጨውን መቐለን ብዝልዓለ ድምቀት ተኸቢሩ","content":"በዓል ጥምቀት ኣብ ትግራይ ኣብ ከተማታት ማይጨውን መቐለን ብዝልዓለ ድምቀት ተኸቢሩ። ኣብ ካልኦት ከባቢታ እቲ ክልል እውን ተባዒሉ እዩ:: እቲ በዓል ብደረጃ ክልል ኣብ ከተማ ማይጨው ዝተኸበረ ኮይኑ: ኣብቲ በዓል ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ \"መንግስቶምን ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልኦት ሓቢሮም ክዓብዩ እምብር ንኩናት ዝቀራረብ ኣይኮኑን\" ኢሎም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8C%A5%E1%88%9D%E1%89%80%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9B%E1%8B%AD%E1%8C%A8%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%8D%E1%8B%93%E1%88%88-%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%89%80%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%89%A2%E1%88%A9\/5252996.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ምስ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ተሰማሚዓ","content":"ኢትዮጵያ ምስ ግብጺን ሱዳንን ብዛዕባ ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ዝተሰማመዐትሉ ሰነድ ‘ረብሓና ዘረጋገጽናሉ’ዩ’ ኢሎም ኣብ’ቲ ልዝብ ዝተሳተፉ ወከልቲ ኢትዮጵያ። ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ካብ 4 ክሳብ 7 ዓመታት ኣብ ዘሎ ጊዜ ንክመልእ መደብ ከምዘሎ’ውን ተገሊጹ። ሚኒስትር ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ‘ኢትዮጵያ፣ ሓይሊ ናይ ምምንጫው ዕላማ ብዘዕውት ኣገባብ፣ ከም መጠን ወናኒት እቲ ግድብ፣ ንሕና’ውን ከም መጠን ሉኡላዊ ሃገር፣ ንወስዶ ስጉምቲ፣ ሓላፍነት ብዝተላበሰ ኩነታት፣ ኣቐዲምና ዝነጸርናዮም ነገራት ኣለው፣ ንሱ’ዩ ይትግበር ዘሎ’ ኢሎም። ሚኒስትር ወጻኢ ግብጺ ሳሚሕ ሹኩሪ ብወገኖም ‘ልዝብ ሰለስቲኤን ሃገራት፣ ናብ ዘረዳድእ ሓባራዊ ሰነድ ንክብጻሕ ከምዝሓገዘ፣ እቲ ውዕል ዝበጽሐሉ ብርኪ ድማ ‘ግብጺ ‘ጥንቃቐ ብዝተመልኦ ተስፋ ዘለዎ ኮይኑ ከምዝረኸበቶ’ ምግላጾም ሚድያታት ግብጺ ሓቢሮም ኣለው። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-sudan-egypt-agree-on-gerd-\/5250196.html"} {"headline":"ክልል ትግራይ፡ መንገዲ መቐለ-ሳምረ ብተቓውሞ ሰልፈኛታት ንሳልሳይ መዓልቲ ምዕጻው ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ መንገዲ መቐለ-ሳምረ ንተቓውሞ ብዝወፁ ስልፈኛታት ንዝሓለፉ ሰለስተ መዓልቲ ምዕጻው ተገሊጹ:: ሕቶ ወረዳ ይመለሰልና ዝበሉ ነበርቲ \"መንግስቲ መልሲ ኣይሃበናን\" ብምባል ነቲ መንገዲ ምምዕጻው ይዛረቡ:: ተመሳሳሊ ሕቶ ዘለዎም ነበርቲ ከተማ ዓዲ ነብሪኢድ እውን ትማሊ ንሰዓታት መንገዲ ሽረእንዳስላሰ- ሸራሮ ዓፅዮም ነይሮም:: ኣብዚ ጉዳይ ምላሽ መንግስቲ እቲ ክልል ንምርካብ ብተደጋጋሚ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰምረን:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%88%B3%E1%88%9D%E1%88%A8-%E1%89%A5%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%88%9E-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%88%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%B3%E1%88%8D%E1%88%B3%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%8C%BB%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5250119.html"} {"headline":"ኩነታት ኣብ ኡጋዳን ዝተረፉ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ","content":"ኣብዚ ቀረባ እዋን ሸውዓተ ኤርትራዊያን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ንግጥም ሴካፋ ናብ ኡጋንዳ ምስ ከዱ ኣብ ምምዛም እቲ ግጥም ናብ ሃገሮም ከይተመለሱ ተሪፎም ኣለው። እዚ አካል’ቲ መንእሰያት ኤርትራ ንሃገሮም ሓዲጎም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዑቕባ ንምሕታት ናይ ምዃድ ተርእዮ አካል’ዩ። እዚ ናይዞም ዳሕረዎት ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራዊያን ኣብ ኡጋንዳ ምትራፍ ኣብ ዛዕባ ጉዳይ ስደትን ፍልሰትን መንእሰያት ምይይጥ ከፊቱ’ሎ። እዞም ተጻወቲ ናብ ሃገሮም ከይተመለሱ ምስ ተረፉ ኣትሌታት’ታ ቀርኒ ኣፍሪቃዊት ሃገር ናብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ዝጉዓዝሉ እዋን ናብ ሃገሮም ዘይምምላስ ተርእዮ ትጽቢት ዝግበረሉ ነገር ኮይኑ’ሎ ክብሉ ሓደ በዓል ስልጣን ኡጋንዳ ተዛሪቦም ። “ኣብ ዝሓለፈ ብርክት ዝበለ ዓመታት ዝኾነ ይኹን ኤርትራ ዝተሳተፈትሉ ስፖርታዊ ፍጻመ ኣብ ዝህልው ገለ ካብ ተሳተፍቲ ናብ ሃገሮም ዘይምምላስ ኩነታት ዳርጋ ዝውቱር ኮይኑ’ሎ” ክብል እስማዒል ዳሃካባ ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ስፖርት ኡጋንዳ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A1%E1%8C%8B%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%A8%E1%8D%89-%E1%89%B0%E1%8C%BB%E1%8B%88%E1%89%B2-%E1%8A%A9%E1%8B%95%E1%88%B6-%E1%8A%A5%E1%8C%8D%E1%88%AA-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB\/5250005.html"} {"headline":"ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተራእየ ወራር ኣምበጣ ንምህርቲ’ቲ ዞባ የዕንው ምህላው ተገሊጹ","content":"ኢትዮጵያዊ ሓረስታይ ኣሕመድ ኢብራሂም ነቲ ቀንዲ ምንጪ አታዊኡ ዝኾነ ሕርሻ ጫት ዝወረሩ ኣምበጣ ንምብራር ይቃለስ። “ ናብ ዕዳጋ ነቕርቦ ዋላ ሓደ ነገር የብልናን። ነቶም ሸሞንተ ደቐይ እንታይ ከምዝምግብ ኣይፈልጥን።” ክብል ኢብራሂም ነቶም ደቑ ዘባርርዎም ዝነበሩ ነቲ ቦታ ዝወረሩ ኣምበጣ ይጥምት። ኣብዚ ሕጂ እዋን ብወራር ኣምበጣ ምድረበዳ ዝባደመ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸር ሄክታር ዝስፍሓቱ መሬት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ይረአ ምህላው ዓለምለኸ ትካል መግብን ሕርሻን (ፋኦ) ይገልጽ። “እዚ ወራር ኣምበጣ ነቲ ብምዕልቕላቕ ውሕጅን ደርቂን ዕንቅፋት ገጢምዎ ንዘሎ ውሕስነት መግቢ ኬንያን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ስግኣት ዝፈጥር እዩ” ክብሉ ተሓጋጋዚ ዳይሬክተር ፋኦ ቡካር ታጂና ይገልጹ። ንሶም ወሲኾም እቲ ወረራ ኣምበጣ ሰፊሕን ሓድሽ ተርእዮ ምኳኑ’ውን የረድኡ። እቲ ወረራ ኣምበጣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ኢትዮጵያን ሶማልን ናብ ምብራቓዊን ሰሜናዊን ክፋል ኬንያ ብምዝርጋሕ ኣብ ምህርቲ መግቢን ቁጠባ’ታ ሃገርን ስግኣት ፈጢሩ ምህላው ሚንስትር ሕርሻ ኬንያ ሓቢሮም። ኬንያ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል’ታ ሃገር ካብ ጥሪ 4 ጀሚራ ምንጻግ ጸረ ባልዕ ምጅማራ ተፈሊጡ’ሎ። ብተመሳሳሊ ማሕበር ሓረስቶት ኬንያ ዞባ ሰሜናዊ ላኪፓ ነቲ ድሕሪ 1954 ንመጀመርያ ጊዜ ዝተራእየ እዚ ወረራ ኣምበጣ ንምምካት ፈውሲ ባልዕ ናይ ምንጻግ መደብ ከምዘለዎ ይሕብር። ነቲ ኣቐዲሙ ክጠፍእ ጀሚሩ ዝነበረ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ኣብቲ ቦታ ዝተራእየ ወራር ኣምበጣ ብዝምልከት ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕርሻን ሃብቲ ተፈጥሮን ክልል ሶማል አካያዲ ስራሕ ምክትታል ምህርቲ ኣቶ አብዲ አደን “ክልል ሶማል ምስ ፈደራል መንግስቲ ብምትሕብባር ምንጻግ ጸረ ባዕል የካይድ ኣሎ” ኢሎም። ብመሰረት ሓበሬታ ፋኦ ሓደ ወራር ኣምበጣ ካብ 40 ኪ.ሜ ክሳብ 60 ኪ.ሜ ስፍሓት ዘለዎ መሬት ከምዝሽፍን ይሕብር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%80%E1%88%AD%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%A5%E1%8B%A8-%E1%8B%88%E1%88%AB%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A0%E1%8C%A3-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%B2-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%8B%A8%E1%8B%95%E1%8A%95%E1%8B%8D-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5249804.html"} {"headline":"ኣቶ ገዱ እንዳርጋቸው ፡ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ዝተኻየደ ዘተ ንረብሓ ኢትዮጵያ ብዝሕሉ መልክዕ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ገሊጾም","content":"ኣብ ጉዳይ ዓቢይ ግድብ ህዳሴ፡ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ብዛዕባ ዝገበርዎ ዘተ፡ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ገዱ እንዳርጋቸውን ሚንስተር ማይ፡ መስኖን ኤነርጅን ኣቶ ስለሺ በቀለን ሎሚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቦም። ኣቶ ገዱ እንዳርጋቸው ብዛዕባ`ቲ ግድብ ብዝምልከት ዝስምዑ ዘለዉ ሓሳባት ዝተጋገዩ`ዮም ድሕሪ ምባል፡ ጠቕሚ ሃገራት ተፋሰስ ፈለግ ኒል ከይተጎድኤ ንረብሓ ኢትዮጵያ`ውን ብዝሕሉ መልክዕ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ገሊጾም። ሚንስተር ማይ መስኖን ኤነርጅን ኢትዮጵያ ኣቶ ስለሺ በቀለ ብወገኖም፡ ብዛዕባ ምምላእ ማይ ግድብ ንዝቐረበሎም ሕቶ ክምልሱ ከለዉ፡ ብዝተበጽሐ ስምምዕ ምምላእ ማይ መሰረት፡ ኢትዮጵያ ብእትደልዮ መልክዕ ሓይሊ ኤሌትሪክ ክተመንጩ ከምትኽእል ድሕሪ ምጥቃስ፡ ምልኣት`ቲ ግድብ`ውን ከም ፍሰት ማይ መጠን ዝውሰን ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሸውዓተ ዓመታት ዝበጽሕ ምዃኑ ገሊጾም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%8C%88%E1%8B%B1-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%8B%B3%E1%88%AD%E1%8C%8B%E1%89%B8%E1%8B%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B0-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%8A%95%E1%88%A8%E1%89%A5%E1%88%93-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%95%E1%88%89-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%AD%E1%8B%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A0%E1%8C%BD%E1%88%90-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/5248534.html"} {"headline":"ዘተ: ኣብ ጉዳይ ክልል ትግራይ ኣብ ንቡር ምሕዝነት ኤርትራን ኢትዮጵያን","content":"ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ናይ ዓመታት ኩናት ወጺኤን ኣብ ንቡር ምሕዝነትን ሰላምን እንተለዋ`ውን፡ ምስ ኤርትራ ኣብ ዝዳወብ ክልል ትግራይ ግን እቲ ንቡር ምሕዝነት ኣይንጸባረቕን ዝብል ነጥቢ`ዩ ንሎሚ እነቕርቦ። መንግስቲ ኤርትራን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ንሰላም ክወስድዎ ዝግባእ ስጉምቲ ኣብ ዝብል ሕቶ፡ ኣብ ዜጋታት`ውን ዘይምስምማዕ ምፍጣሩ ቀጺሉ`ሎ። ምስ ኣቶ ኣብርሃ ሓይለዝግን ኣቶ ሑሴን ሉባክን ዝተገብረ ክትዕ ካልኣይ ክፋል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%89%A1%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95\/5248436.html"} {"headline":"'ፎረም ፌደራሊስት ሓይልታት ኢትዮጵያ' ጥምረት ምምስራቱ ተገሊፁ","content":"ኣባላት እቲ ጥምረት ዝኾኑ ውድባት ብሓባር ቐፃሊ ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ብሓባር ከምዝወዳደሩ ድማ ተሓቢሩ:: ናብ ውድብ ብልፅግና ንዘይምእታው ዝወሰነ ህወሓት ሓዊሱ ልዕሊ 40 ውድባት ፖለቲካ ሓቢሮም ኣብቲ ምርጫ ንምስታፍ ትማሊ ተፈራሪሞም:: ንፕረዚዳንት እቲ ጥምረት ኣይተ ደረጄ በቀለ ብምዝርራብ ዝተዳለወ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%8E%E1%88%A8%E1%88%9D-%E1%8D%8C%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8A%E1%88%B5%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8C%A5%E1%88%9D%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%89%B1-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8D%81\/5248430.html"} {"headline":"ትካል ስደተኛታት ሕ\/ሃ ጨንፈር ሊብያ ክልተ ኤርትራዊያን ብዝተተኾሰሎም ጥይት ምሟቶም ይሕብር","content":"ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ጨንፈር ሊብያ ብዓርቢ 10 ጥሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ክልተ ኤርትራዊያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ብዝተተኾሰሎም ጥይት ምሟቶም ይሕብር። እቲ ትካል ኣብ መግለጺኡ እቶም ስደተኛታት ካብቶም ኣስታት 4,000 ዝኾኑ ኣብ ትሕቲ’ቲ ትካል ተመዝጊቦም ብውልቆም ኣብ ከተማ ዝነብሩ ምዃኖም’ውን ይገልጽ። ይኹን ደአ እምበር ጠንቂ ሞት ኮነ ኣብቲ ህሞት ብዛዕባ ዘጋጠመ ኩነታት ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን። እዞም ክልተ ኤርትራዊያን ካብ ኣቡ ሰሊም ዝተባህለ መዳጎኒ ማእከል ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 ናብቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት መአከቢን መበገሲን ማእከል (GDF) ዝአተው ምኻኖም ይኹን ደአ እምበር ካብ ወርሒ ሕዳር 2019 ጀሚሩ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ጨንፈር ሊብያ እቲ ቦታ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ሰባት ሒዙ ምህላውን እኹል ቀረብ መግብን ማይን እውን ብዘይምህላው ኣብ ከተማታት ወጺኦም ክነብሩ ብምግዳዱ ካብቲ መዓስከር ወጺኦም ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ክነብሩ ዝጸንሑ’ዮም። እቶም ክልተ ኤርትራዊያን ኣብ ገርጋርሰክ ዝበሃል ከባቢ ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ምስ ካልኦት 12 ሰባት ኣብ ሓደ ገዛ ይነብሩ ከምዝነበሩን ኣብቲ ገዛ ምስኦም ዝነብር ዝነብረ ሳሚ ዝተባህለ ኤርትራዊ መንእሰይ ይገልጽ። ንሱ ብተወሳኺ ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ’ሎ። ኣብቲ እቶም ስደተኛታት መወዳእታ ተዓቑቦምሉ ዝነበሩ መአከቢን መፋነዊን ማእከል (GDF) ዝርከቡ ስደተኛታት ብሰንበት ነቶም ዝሞቱ ናይ ዝኽሪ ስነ ስርዓት ድሕሪ ምክያድ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብ ናብ ከተማታት ምውጻእ ዝሓሸ አማራጺ ከዳልው ጻውዒቶም ብደብዳበ ኣቕሪቦም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8C%A8%E1%8A%95%E1%8D%88%E1%88%AD-%E1%88%8A%E1%89%A5%E1%8B%AB-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%B0%E1%8A%BE%E1%88%B0%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8C%A5%E1%8B%AD%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8B%AD%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%AD\/5245198.html"} {"headline":"ኣትሌታት ዞባ ማእከል ኣብ መጻረዪ ኣህጉራዊ ውድድር ጉያ መሮር 2020 ተዓዊቶም","content":"ኣብ 2020 ኣብ ቶጎ ኣብ ዝካየድ ኣህጉራዊ ውድድር ጉያ መሮር ዝሳተፉ ኣሌለታት ንምምራጽ ፡ሰንበት 12 ጥሪ ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ውድድር፡ኣትሌታት ዞባ ማእከል ሓሙሽተ ዋናጩ ብምዕታር ብጸብለልታ ተዓዊቶም ።ኣብቲ ውድድር ካብ 1ይ-6ይ ደረጃ ዝሓዙ ተወዳደርቲ ንኤርትራ ወኪሎም ከምዝወዳደሩ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ስፖርትን ባህልን ኤርትራ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%88%8C%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8C%BB%E1%88%A8%E1%8B%AA-%E1%8A%A3%E1%88%85%E1%8C%89%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%8B%B5%E1%88%AD-%E1%8C%89%E1%8B%AB-%E1%88%98%E1%88%AE%E1%88%AD-2020-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%8A%E1%89%B6%E1%88%9D\/5243733.html"} {"headline":"ፕረ. ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ የካይድ’ሎ","content":"ናይ ሶማልያ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ፡ ንናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ምብጻሕ ሎሚ ኣስመራ ኣትዩ`ሎ- ብእኡ ንብእኡ`ውን ኣብ ቤተ-መንግስቲ ምስ ፕረዚደንት ኢስያስ ኣፈወርቂ ቀዳማይ ርክቡ ኣካይዱ`ሎ። ኣብ`ቲ ርክብ ብዛዕባ ሰላምን ጸጥታን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ኩነታት ሶማል ብዕምቆት ከምዝተዘራረቡ፡ ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ሓቢሩ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%88%93%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8B%93%E1%89%A5%E1%8B%B1%E1%88%8B%E1%88%82-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8B%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B5-%E1%88%8E\/5240803.html"} {"headline":"ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ዝተኻየደ ራብዓይ ሱሉሳዊ ዘተ ብዘይስምምዕ ምዝዛሙ ተገሊጹ","content":"ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ንራብዓይ ጊዜ ኣብ አዲስ አበባ ክካየድ ዝቐነየ ናይ ክልተ መዓልታት ዘተ ኢትዮጵያ፡ግብጺንን ሱዳንን ትማሊ ሓሙስ ብዘይስምምዕ ምዝዛሙ ተገሊጹ። ግብጺ እቲ ጉዳይ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ዋሽንግተን ዝካየድ ዘተ ክፍታሕ ዘለዋ ተስፋ ገሊጻ’ላ። “ሎሚ ኣብ ስምምዕ ክንበጽሕ ኣይከአልናን ግን ኸአ ኣብ ኩሉ መዳይ ንምምላእ ማይ እቲ ግድብ ሓዊሱ ንዘሎ ጉዳያት ብንጹር ኣቐሚጥና ኣለና። ስለዚ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ዋሽንግተን ዝካየድ ዘተ ኣብ ስምምዕ ክንበጽሕ ተስፋ ንገብር” ክብሉ ሚንስትር ማይ ግብጺ ዓብደል ኣትያ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሮም። No media source currently available ሰለስቲኣን ሃገራት ኣብ ጉዳይ ምምላእ ማይን ኣሰራርሓን እቲ ኣስታት 4 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ዝተገብረሉ ግድብ ህዳሴ ንምዝታይ ጥሪ 13 ኣብ ዋሽንግተን ከምዝራኸባ ይፍለጥ። ሚንስትሪ ማይ ኢትዮጵያ ስለሺ በቀለ ብወገኖም ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ዘይከአለ ግብጺ ኣብ ስምምዕ ዘብጽሕ ነጥብታት ዘይምቕራባ ምኳኑ ይገልጹ። “ ኣብ ኣመላልኣ እቲ ግድብ ኣብ ስምምዕ ዘይበጻሕና ግብጺ እቲ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ኣብ ውሽጢ 12-21 ዓመታት ክፍጸም ዝብል ሓድሽ ውጥን ሒዛ ብምምጻኣ እዩ እዚ ድማ ቕቡል ኣይኮነን። ምምላእ’ቲ ግድብ ድማ ኣብ ወርሒ ሓምለ ክጅምር’ዩ”ኢሎም። ግብጺ ምምላእ እቲ ግድብ ናብ ሃገራ ዝፈስስ ትሕዝቶ ማይ ፈለግ ኒል ከምዘጉድል ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ዝጸንሓት ክትከውን ከላ ኢትዮጵያ ግን ምምላእ’ቲ ግድብ ኣብ ትሕዝቶ ማይ ፈለግ ኒል ጽልዋ ከምዘይሕልዎን ምዝዛም’ቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ መመንጨዊ ጸዓት ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ናይ ህዳሴ ግድብ ኣብ ምዕባለ’ታ ሃገር ኣገዳሲ ምዃኑ ትገልጽ። ሰለስቲኣን ሃገራት ክሳብ ጥሪ 15 ኣብ ስምምዕ እንተዘይበጽሓ ኣብቲ ጉዳይ ዓለምለኸ መንጎኛ ወይ መንጎኝነት መራሕቲ ሃገራት ኣቢለን ክፈትሓ ክግደዳ’የን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B0-%E1%88%AB%E1%89%A5%E1%8B%93%E1%8B%AD-%E1%88%B1%E1%88%89%E1%88%B3%E1%8B%8A-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8B%9B%E1%88%99-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5240385.html"} {"headline":"ሑሴን ሉባክን ኣብርሃ ሓይለዝግን ኣብ ጉዳይ ሕወሓትን ኤርትራን","content":"ህወሓት ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ጉባኤ፡ ናብ ብልጽግና ፓርቲ ከምዘይጽንበር ምውሳኑ ሓቢሩ፡ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዝቐንዐ መልእኽቲ`ውን ኣሕሊፉ ኔሩ። “ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ሓደ ቋንቋ፣ተመሳሳሊ ባህልን ብመውስቦ ዝተኣሳሰረን ሓው ህዝቢ እዩ” ዝብል መግለጺ ሕወሓት “ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተ ዓማውቲ ... ናብ ክንኣትዎ ዘይግበአና ኲናት ኣቲና ዘየድሊ ኪሳራ ከፊልና ኢና፡፡ ነዚ ዘጋጠመ በሰላ ንምሕዋይን ናብ ንቡር ሰላም ንምምላስን ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ዘይተሓለለ ፃዕሪ እናገበረ ፀኒሑ እዩ” ይብል። ነዚ መልእኽቲ ብዝምልከት ርእይቶኦም ክህቡና ንሎሚ ሓደ ኤርትራውን ኢትዮጵያውን ዓዲምና`ለና። ሑሴን ሉባክ ከምኡ ድማ ኣብርሃ ሓይለዝጊ ይብሃሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%91%E1%88%B4%E1%8A%95-%E1%88%89%E1%89%A3%E1%8A%AD%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%83-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%88%E1%8B%9D%E1%8C%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%88%95%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95\/5239139.html"} {"headline":"'ጻውዒት ህወሓት ናብ ህዝቢ ኤርትራ' ኣብ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ","content":"ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) - ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰናብቲ ድሕሪ ዘካየዶ ህጹጽ ጉባኤ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ‘ኣብ ዝሓለፈ ዓመትን መንፈቕን ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተጀመረ ተስፋ ዝህብ ሕዉነትን ዝምድናን ኣብ ምትሕግጋዝን ንኹላትና ዝጠቅም ክኸውንን ኣብ ዘላቒን ዘተኣማምንን ሰላም ክምስረትን ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ካብኦም ዝድለ ኩሉ ነገር ንምግባር ድልዋት ምኻኖምን፣ ህዘቢ ኤርትራ ብወገኑ ነዚ ሰላም ዘላቂ ክኸውንን ክጠናኸርን ናይ ባዕሉ እጃም ክፃወት ንፅውዕ’ ከምዝበለ ዝዝከር’ዩ፡፡ ኣብ ልዕሊ’ዚ ዝላዘቡ ክልተ ኣጋይሽ ዓዲምና ኣለና። ኣብ ዩኒቨርስቲ ሚዙሪ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ዝነጥፉ ኤርትራዊ ዶ\/ር ጸጋይ ይስሓቕን ኣብ ዩኒቨርስቲ ኬንታክይ ዝሰርሕ ኢትዮጵያዊ ዶ\/ር ኣክሊሉ ሕሉፍን፣ ንጻውዒት ህወሓት ብምንኣድ፣ ኣብ ቀጻሊ ርክብ ክልቲኦም ህዝቢታት ናብ ንቡር ንክምለስ ክፍጸሙ ኣለዎም ዝብልዎም እማመታት'ውን ኣቕሪቦም ኣለው። ኣብ ዘረባና፣ ገለ ኤርትራዊያን ንድሕሪት ምልስ ኢሎም ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊያን ተፈጺሙ ዝብልዎ መግሃስቲ፣ ምጥራር ዶብን ካልኦትን እናጠቐሱ ንመግለጺ ህወሓት ይነጽጉን ይነቕፉን። ኣጋይሽና እውን ክዘራረብሉ ተሓቲቶም ኣለው። ኣብ ቀጻሊ መደብና ክነቕርቦ ኢና። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/tsegay-isaac-and-aklilu-hiluf-discussed-tplf-call-to-the-people-of-eritrea-for-peace\/5237583.html"} {"headline":"ኣብ በዓል ልደተ ክርስቶት ዋጋ ከብቲ ምውሳኹ ዋጋ ጠለበጊዕ ግን ከምዝነከየ ተሓቢሩ","content":"ኣብ በዓል ልደተ ክርስቶት ዋጋ ከብቲ ምውሳኹ ዋጋ ጠለበጊዕ ግን ከምዝነከየ ተሓቢሩ; ኩነታት ዕዳጋ ከብቲ ኣብ በዓል ልደተ ክርስቶስ ንምዕዛብ ናብ ዕዳጋ ከተማ መቐለ ቀበሌ 17 ብምንቅስቃስ ምስ ነጋዶ ከብቲ፥ ጠለ በጊዕ : ደላሎን ተጠቀምትን ኣዘራሪብና ኣለና። ምስኦም ዝተኻየደ ዕላል ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%88%8D%E1%8B%B0%E1%89%B0-%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B6%E1%89%B5-%E1%8B%8B%E1%8C%8B-%E1%8A%A8%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%B9-%E1%8B%8B%E1%8C%8B-%E1%8C%A0%E1%88%88%E1%89%A0%E1%8C%8A%E1%8B%95-%E1%8C%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%8A%A8%E1%8B%A8-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5237248.html"} {"headline":"ኤርትራዊያን ኣብ መልእኽቲ ጉባኤ ህውሓት","content":"ህወሓት ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ጉባኤ፡ ናብ ብልጽግና ፓርቲ ከምዘይጽንበር ምውሳኑ ሓቢሩ፡ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዝቐንዐ መልእኽቲ`ውን ኣሕሊፉ ኔሩ። “ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ሓደ ቋንቋ፣ተመሳሳሊ ባህልን ብመውስቦ ዝተኣሳሰረን ሓው ህዝቢ እዩ” ዝብል መግለጺ ሕወሓት “ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተ ዓማውቲ ... ናብ ክንኣትዎ ዘይግበአና ኲናት ኣቲና ዘየድሊ ኪሳራ ከፊልና ኢና፡፡ ነዚ ዘጋጠመ በሰላ ንምሕዋይን ናብ ንቡር ሰላም ንምምላስን ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ዘይተሓለለ ፃዕሪ እናገበረ ፀኒሑ እዩ” ይብል። ነዚ መልእኽቲ ንሎሚ ብክልተ ኣብ ዝተፈላለየ ፓለቲካዊ ደምበ ዘለዉ ኤርትራውያን ክንርእዮ ክንፍትን ኢና። እንጅነር የዕብዮ መስፍን ከምኡ ድማ ሙሴ ስብሃቱ ይብሃሉ፡ ካብ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ``ዮም። ንሳቶም፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ምስ`ቲ ኣብ ደቡባዊ ኤርትራ ዘሎ ብሄረ- ትግርኛ ጥራሕ ዘይኮነስ ንትሸዓቲኤን ብሄራት ኤርትራ ክሓስብ ኣለዎ ይብሉ። ኣተሓሒዞም፡ ኣብ`ቲ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተበጽሐ ውዕል ምኽባር ውሳነ ኮሚሽን ዶብ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ክተሓባበር ንጽበ ይብሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%89%B2-%E1%8C%89%E1%89%A3%E1%8A%A4-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-\/5235705.html"} {"headline":"ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ፈላማይ ጉባኤኡ ኣመራርሓ እቲ ውድብ ብምምራፅን ፕሮግራም እቲ ውድብ ብምፅዳቕ ዛዚሙ","content":"ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ፈላማይ ጉባኤኡ ኣመራርሓ እቲ ውድብ ብምምራፅን ፕሮግራም እቲ ውድብ ብምፅዳቕ ዛዚሙ:: ኣይተ ሃያሉ ጎድፋይ ኣቦ መንበር ኣይተ ኣሉላ ሃይሉ ድማ ምክትል ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኮይኖም ተመሪፆም:: “ረብሓ ትግራይ ሽካሉ ኣብ ትግራይ ብዝገበረ ኩለ መዳያዊ ቃልሲ ይርጋገፅ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 25 ክሳብ 26 ታሕሳስ 2012 ፈላማይ ብሄራዊ ውድባዊ ጉባኤ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ:: ኣብቲ ጉባኤ ፕሮግራም እቲ ውድብ: መተሓዳደሪ ስሪትን ፀዲቑ: አመራርሓ ድማ ተመሪፆም:: ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 25 'ብሄራዊ መሪሕነት' ኢሎም ዝሰየምዎ ኣባላት ማእከላዊ ኮሜቴ’ ውን ተመሪፆም:: ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኣይተ ሃያሉ ጎድፋይ ምክትል ኣቦ መንበር ድማ ኣይተ ኣሉላ ሃይሉ ኮይኖም ከምዝተመረፁ ተሓቢሩ:: ኣይተ ሃያሉ ጎድፋይ ረብሓ ትግራይ መሰረት ገይርና ኢና ንቃለስ ኢሎም:: 10 ክፍልታት ዝመርሑ ኣባላት እውን ሓላፍነት ከምዝተሃቦም ተገሊፁ እዩ:: ንቐፃሊ ረብሓ ህዝቢ ንምርግጋፅ ዘይተለመዱ ሓደሽቲ ክፍልታት ኣጣይሽና ኣለና ኢሎም:: ክፍሊታት ሕግን ስነ መንግስትን: ጉዳያት መንነት: ምሕዝነት ህዝብታትን ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪካን: ዝብሉ ምኻኖም ድማ ተሓቢሩ:: ውድብ ሳልሳይ ወያነ ሶሻል ዴሞክራሲ ሰነ ሓሳብ ፖለቲካ ሒዙ ከምዝቃለስ ኣብቲ ጉባኤ ከምዘፅደቖ ተገሊፁ:: እቲ ውድብ ንቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣድላዪ ናይ ህዝቢ ፊርማ ኣተኣኻኺቡ ከምዘእተውን: ኣብ ውሽጢ 45 መዓልታት ድማ መረጋገፂ ሕጋውነት ምስክር ወረቐት ካብቲ ቦርድ ክረኽቡ ትፅቢት ከምዝገብሩ ኣይተ ሃያሉ ተዛሪቦም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%B3%E1%88%8D%E1%88%B3%E1%8B%AD-%E1%8B%88%E1%8B%AB%E1%8A%90-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8C%89%E1%89%A3%E1%8A%A4%E1%8A%A1-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%AD%E1%88%93-%E1%8A%A5%E1%89%B2-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%AB%E1%8D%85%E1%8A%95-%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%88%9D-%E1%8A%A5%E1%89%B2-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8D%85%E1%8B%B3%E1%89%95-%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%99\/5235647.html"} {"headline":"ህውሓት ምስ ውድብ ብልጽግና ከምዘይሓብር ብወግዒ ኣፍሊጡ","content":"ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ጉባኤ ውድብ ብልፅግና ዘይሕጋዊ እዩ ብምባል ንዘይምውሃድ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ:: እቲ ውድብ ንኽልተ መዓልታት ዘካየዶ ህፁፅ ጉባኤ ሸሞንተ ነጥቢ ዝሓዘ መግለፂ ብምውፃእ ትማሊ ኣማስዩ ተዛዚሙ:: No media source currently available ህውሓት ምስ ኢህወዴግ ዝነበሮ ዝምድና መሰረት ብምግባር ዝነብረ ናይ ሓባር ሃብቲ ናይ ምክፍፋል ኸይዲ ብሕጋዊ መሰረት ንምፍፃም ከምዝተዳለወ ኣፍሊጡ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%8C%BD%E1%8C%8D%E1%8A%93-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%93%E1%89%A5%E1%88%AD-%E1%89%A5%E1%8B%88%E1%8C%8D%E1%8B%92-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5234090.html"} {"headline":"አዲስ አበባ፡እንታይነቱ ዘይፍለጥ ነገር ምስ መዓር፣ጠስምን ሜስን ሓዋዊሶም ሸይጦም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 72 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም","content":"ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ እንታይነቱ ዘይፍለጥ ነገር ምስ መዓር፣ጠስምን ሜስን ሓዋዊሶም ሸይጦም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 72 ሰባት 25 ታሕሳስ 2012 ዓ\/ም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተፈሊጡ። በዓልስልጣን ምቁጽጻር መግብን መድሓኒትን ብዝበፅሖ ሓበሬታ ነቲ ገበን ክከታተሎ ድሕሪ ምፅናሕ ዝሓለፈ ዓርቢ ብምትሕብባር ፌደራል ፖሊስ ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታው ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል ኣቶ ጄይላን ኣብዲ ገሊፆም። ልዕሊ 600 ኵንታል መዓር፣ንሜስ ዝተዳለወ 10 በርሜል መዓር፣ሓደ ደርዘን ፃዕዳ ቀለም፣ርብዒ ኩንታል ጨው፣ጨው ዝመስል ዘይፍለጥ ነገርን 45 ኪሎ ግራም ሽኮርን ተታሒዙ’ሎ።ካብዚ ብተወሳኺ 114 ኩንታልን ኣርባዕተ ካርቶን ጠስሚን ካልኦት ነገራት ከምዝተሓዙን ንናይ ላብራቶሪ ምርመራ ከምዝተላኹን ኣቶ ጄላን ገሊፆም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%89%B3%E1%8B%AD%E1%8A%90%E1%89%B1-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8D%8D%E1%88%88%E1%8C%A5-%E1%8A%90%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%AD-%E1%8C%A0%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%88%9C%E1%88%B5%E1%8A%95-%E1%88%93%E1%8B%8B%E1%8B%8A%E1%88%B6%E1%88%9D-%E1%88%B8%E1%8B%AD%E1%8C%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%82%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%A0%E1%88%AD%E1%8C%A0%E1%88%A9-72-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%88%9D\/5234224.html"} {"headline":"ሓረስቶት ወረዳ ሓውዜን ንዝተፋላለየ ኣገልግሎት ሕርሻ እትውዕል ዘመናዊት መሳርሒት የተአታትው","content":"ኣብ ወረዳ ሓውዜን ሕብረት ስራሕ ማሕበር ለምለም ብዝብል ሽም ዝተወደቡ ሓረስቶት ንዝተፈላለየ ኣገግሎት ሕርሻ እትውዕል ዘመናዊት መሳርሒ ኣታኣታት’ዮም ኣለው። ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ትርከቦም 4 ኣባላት ዘለዉዋ እዛ ማሕበር ምስ ሜቴክ ብምርድዳእ ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሓቲ ሕርሻ ትነጥፍ መሳርሒ ኣምፂኦም ። ኣባል እታ ማሕበር ዝኮነ ገብረመድህን ሓጎስ እታ ዘመናዊት ቴክኖሎጂ ኣመልኪቱ መብርሂ ሂቡ’ሎ። ተጠቀምቲ ሓረስቶት እውን ርእይቶኦም ሂቦም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይከኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%89%B6%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B3-%E1%88%93%E1%8B%8D%E1%8B%9C%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%8B%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A8-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%88%AD%E1%88%BB-%E1%8A%A5%E1%89%B5%E1%8B%8D%E1%8B%95%E1%88%8D-%E1%8B%98%E1%88%98%E1%8A%93%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%B3%E1%88%AD%E1%88%92%E1%89%B5-%E1%8B%A8%E1%89%B0%E1%8A%A0%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8B%8D\/5231428.html"} {"headline":"'ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዩኒቨርስታት ዝካየዱ ጎንፅታት ተሓሲቡሎም በጀት ተሰሊዑሎም ዝካየዱ ተግባራት'ዮም' ፕሮ. ሂሩት ወልደማርያም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዩኒቨርስታት ዝካየዱ ጎንፅታት ተሓሲቡሎም በጀት ተሰሊዑሎም ዝካየዱ ተግባራት እዮም ክብላ ሚንስትር ሳይንስን ላዕለዋይ ትምህርትን ፕሮፈሰር ሂሩት ወልደማርያም ተዛሪበን። እቲ ፀገም ኣብ ዝኸበደለን ክልላት ዝተዋፈሩ ጉጅለታት ምርመራ ክካየድን ብዛዕባ ክውሰድ ዘለዎ ስጉምቲ ምኽረ ሓሳብ ከምዘቕረቡ እውን ተገሊፁ’ሎ። ሚንስትር ሳይንስን ላዕለዋይ ትምህርቲ ፕሮፌሰር ሂሩት ወልደማርያም ንክልተ መዓልታት ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ምምኽኻር ቤት ምኽሪ ንትካላዊ ለውጢ ዘስምዖ መደረ ካብ መንጎ ዘተኾራሎም ጉዳያት ሓደ ኣብ ትካላት ላዕለዋይ ትምህርቲ ዝረአ ዘይምርግጋእን ዝወርድ ዘሎ ጎንጺ’ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%89%A8%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B1-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8D%85%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%B2%E1%89%A1%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%89%A0%E1%8C%80%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%88%8A%E1%8B%91%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B1-%E1%89%B0%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%8D%95%E1%88%AE-%E1%88%82%E1%88%A9%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%8B%B0%E1%88%9B%E1%88%AD%E1%8B%AB%E1%88%9D-\/5231323.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ኮሚሽን ጉዳያት ምምሕዳር ወሰናትን መንነትን ንጸገማት ወሰንን መንነትን ንምፍታሕ ዝሕግዙ ውጥን ምድላው ገሊጹ","content":"ኮሚሽን ጉዳያት ምምሕዳር ወሰናትን መንነትን ምስ ወሰንን መንነትን ተታሓሒዙ ንዝለዓሉ ጸገማት ንምፍታሕ ዝሕግዝ መፍትሒ ንምንዳይ ስልታዊ ውጥናት ምድላው ኣፍሊጡ። እቲ ኮሚሽን ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ኣብ ውሽጣዊ ኣወዳድባን ምድላዋትን ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሃገራዊ መጽናዕትን ምርምርን ንምክያድ ድልው ምኳኑ ሓቢሩ። ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጸዲቑ ዝሓለፈ ዓመት ዝተመስረት ኮሚሽን ወሰን ምምሕዳራትን ጉዳያት መንነትን ምስ ክልላትን ምምሕዳራት ክልላትን ይዝትይ ምህላው ገሊጹ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%93%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8C%B8%E1%8C%88%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%88%95-%E1%8B%9D%E1%88%95%E1%8C%8D%E1%8B%99-%E1%8B%8D%E1%8C%A5%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5229737.html"} {"headline":"ህወሓት ንዝመጽእ ቀዳምን ሰንበትን ህፁፅ ውድባዊ ጉባኤ ከካይድ'ዩ","content":"ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ንዝመጽእ ቀዳምን ሰንበትን ህፁፅ ውድባዊ ጉባኤ ከካይድ እዩ:: እቲ ጉባኤ \"ጉባኤን ፅንዓትን መኸተን\" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ከምዝካየድ ተፈሊጡ’ሎ:: ኣብዚ ዝተፀወዐ ህፁፅ ውድባዊ ጉባኤ ህወሓት ኣብ ጉዳይ ውህደት ብልጽግና ፓርቲ ናይ መወዳእታ ውሳነ ከሕልፍ ትፅቢት ይግበረሉ:: እዚ ጉባኤ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣብ ታሪኹ እዩ ፈላማይ ህፁፅ ጉባኤ እዩ:: ኣብቲ ጉባኤ 1066 ጉባኤተኛታት ክሳተፉ ትፅቢት ይግበር:: ኣብ ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ናብ ሓዱሽ ውድብ ብልፅግና ንዘይምእታው ብኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕን ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓትን ንዝተመሓለለፈ ውሳነ ተሳተፍቲ ከምዝድግፍዎ ምግላጾም ይዝከር። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%8A%A5-%E1%89%80%E1%8B%B3%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%85%E1%8D%81%E1%8D%85-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%8C%89%E1%89%A3%E1%8A%A4-%E1%8A%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B5-%E1%8B%A9\/5229441.html"} {"headline":"ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ፖለቲካ ዘለወን ኣረኣእያ ኣሉታዊ እዩ ክብል ሓደ መፅናዕቲ ሓቢሩ","content":"ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ንኣመራርሓ ፖለቲካ ኾነ ብዛዕባ ፖለቲካ ዘለወን ኣረኣእያ ኣሉታዊ እዩ ክብል ሓደ መፅናዕቲ ሓቢሩ። ፖለቲካዊ ተሳተፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝመፅእ ሃገራዊ ምርጫ ዘሕድሮ ተጽዕኖ ክብ ንምባል ከምዝስራሕ መራሕቲ ጥምረት ማሕበራት ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ገሊፀን ኣለዋ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B0%E1%89%82-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AE-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8B%9B%E1%8B%95%E1%89%A3-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%88%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%A8%E1%8A%A3%E1%8A%A5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%88%89%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%8A%A5%E1%8B%A9-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%88%98%E1%8D%85%E1%8A%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5227176.html"} {"headline":"ፌደራል ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኣብ ቅትለት ባህርዳርን ኣዲስ ኣበባን ብዝተኣሳሰረ ተኸሰስቲ ንዘቕረቡዎም ዝበዝሓ ተቓውሞታት ውዱቕ ገይሩዎ","content":"ፌደራል ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ዓቃቢ ሕጊ 15 ሰነ 2011 ዓ\/ም ኣብ ባህርዳርን ኣዲስ ኣበባን ምስ ዝተፈፀመ ቅትለት ብዝተኣሳሰረ ዝኸሰሶም 13 ሰባት ንዘቕረቡዎም መብዛሕቲኦም ተቓውሞታት ውዱቕ ገይሩዎ። ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበሩ ጀነራል ስዓረ መኮነንንን ጥሮተኛ ሜጄር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ቀቲሉ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ሓለቓ ዓሰርተ መሳፍንት ጥጋቡ “ነቶም ጀነራላት ኣበይ ከምዝቐተልኩዎምን ኣበይ ከምዝተታሓዝኩን ኣብቲ ኽሲ ስለዘይተጠቕሰ ብዝርዝር ክጥቀስ ኣለዎ’’ ዝብል ዘቕረቦ ተቓውሞ ግን እቲ ቤት ፍርዲ ተቐቢሉዎ’ሎ።ዓቃቢ ሕጊ ነቲ ኽሲ ከመሓይሾ ኣዚዙ’ሎ። ተኸሰስቲ ኣብ መአረሚ ይፍፀመና ኣሎ፤እቲ ቤት ፍርዲ እውን ገለልተኛ ስለዘይኮነ ናይ ቀደም ድራማ ይድገም’ሎ ዝብል ጥርዓን እውን ኣቕሪቦም ኣለው። መ አረሚ ንዝቐረቡ ጥርዓናት መልሲ ክህብን ዓቃቢ ሕጊ እውን ክሱ ኣመሓይሹ ንክቐርብን ትእዛዝ ብምሃብ ቤት ፍርድዲ ን8 ጥሪ 2012 ዓ\/ም ቆፀሮ ሂቡ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%8C%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%8C%A0%E1%89%95%E1%88%8B%E1%88%8A-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%85%E1%89%B5%E1%88%88%E1%89%B5-%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%AD%E1%8B%B3%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%A3%E1%88%B3%E1%88%B0%E1%88%A8-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%88%B0%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%89%95%E1%88%A8%E1%89%A1%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%8B%9D%E1%88%93-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%88%9E%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%8D%E1%8B%B1%E1%89%95-%E1%8C%88%E1%8B%AD%E1%88%A9%E1%8B%8E\/5227077.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ኣብ መንጎ ክልላት ዓፋርን ሶማልን ዝነበረ ዘይምርድዳእ ዝዳኒ ናይ ሽምግልና መድረኽ ተጀሚሩ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ክልላት ዓፋርን ሶማልን ዝነበረ ዘይምርድዳእ ዝዳኒ ሓደ ናይ ሽምግልና መድረኽ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ከተማ ኣዳማ ተጀሚሩ። እቲ መድረኽ ኣብ ወሰና ወሰን ክልላት ዓፋርን ሶማልን ዝርኣዩ ግጭታት ንምፍታሕ ዝዓለመ ምዃኑ ተሓቢሩ’ሎ። እቲ መድረኽ ሚንስትሪ ሰላም ምስ መማኽርቲ ሽማግለ ዓዲ ዘዳለውዎ ክኸውን ካብ ኩሎም ክልላት ዝተወከሉ ዓበይቲ ዓዲ ከምዝተሳተፉ ተሓቢሩ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8E-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8B%B5%E1%8B%B3%E1%8A%A5-%E1%8B%9D%E1%8B%B3%E1%8A%92-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%BD%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%88%8D%E1%8A%93-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%8A%BD-%E1%89%B0%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9\/5227032.html"} {"headline":"ተሳተፍቲ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ትግራይ ህውሓት ናብ ብልጽግና ፓርቲ ንዘይምሕዋስ ዝወሰኖ ውሳነ ከምዝድግፎ ኣፍሊጦም","content":"ህውሓት ናብ ሓዱሽ ውድብ ብልፅግና ንዘይምሕዋስ ብኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕን ማእከላይ ኮሚቴን ዝተመሓለለፈ ውሳን ንድግፎ ኢና ክብሉ ተሳተፍቲ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ትግራይ ኣፍሊጦም። ተሳተፍቲ ነዚ ዝበሉ ኣብ መዛዘሚ’ቲ መድረኽ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ’ዩ:: ኣብ ከተማ መቐለ ንኽልተ መዓልታት ዝተኻየደ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ትማሊ ኣማስዩ ተዛዚሙ’ሎ:: ተሳተፍቲ ነቲ ሓዱሽ ውሁድ ውድብ ኣንፃር ረብሓና እዩ ብምባል ከምዝቃለስዎ’ውን ኣፍሊጦም:: ርእይቶኦም ንድምጺ ኣሜሪካ ዝሃቡ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ነቲ ውሳነ ንድግፎ ኢና ኢሎም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%88%B3%E1%89%B0%E1%8D%8D%E1%89%B2-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%8A%AE%E1%8A%95%E1%8D%88%E1%88%A8%E1%8A%95%E1%88%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%8C%BD%E1%8C%8D%E1%8A%93-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%8B%E1%88%B5-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%96-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8B%B5%E1%8C%8D%E1%8D%8E-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A6%E1%88%9D\/5225628.html"} {"headline":"ICG ‘ለውጢ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሃዲዱ መታን ከይስሕት’ ዝብል ገምጋማዊ ሰነድ ዘርጊሑ","content":"ኣብ’ዚ እዋን ኢትዮጵያ ኣዝዩ ከቢድ ተባራዒን ተለዋዋጢን ፖላቲካዊ ሃዋህው ዝራኣየላ ሃገር’ያ ይብል ዊልያም ደቪድሰን። ንሱ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ‘ዓይኒ ኩሉ ሰብ ናብ’ቲ ዝመጽእ ግንቦት ክካየድ’ዩ ዝባሃል ሃገራዊ ምርጫ ኮይኑ’ሎ፣ ልዕሊ ኩሉ ‘ምስረታ ሓድሽ ፓርቲ ብልጽግና’ዩ’ በለ ምስ ቪኦኤ ኣብ ዝነበሮ ቃለ ምልልስ። ዓለም ለኸ ትካል ቅልውላው ኣብ ሪፖርቱ ‘ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ ህድኣት ስግኣትን ቅልውላውን ዘስዕብ እንተኾይኑ ናብ ካልእ ጊዜ እንተተሳገረ’ዩ ዝምረጽ’ ኢሉ’ሎ። ዓለም ለኸ ትካል ቅልውላው ‘ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዕድመ ፓርላማ 5 ዓመት’ዩ። ሕገ መግስታዊ ግዴታ ስለዝኾነ ክትግበር ኣለዎ። እቲ ሕቶ ግና ፖለቲካዊ ፓርቲታት፣ ፖለቲካዊ ባይታ፣ ዴሞክራሲያዊ ሃዋሁ ምቹኣት ድዮም ዝብል’ዩ’ ይብል። ‘ካልእ ክላዓል ዘለዎ ኣገዳሲ ነገር፣ ሰበ ስልጣን ትግራይ፣ ብዝኾነ ኣገባብ ምርጫ እንተተደናጉዩ፣ ምሳኻትኩም ኣይንሳተፍን ኣይነሕግዝን’ውን ኢሎም ደጋጊሞም ኣቃሊሖም’ዮም። ስለዝኾነ’የ ኩሉ ሓቖፍ ስምምዕነት ክህሉ ኣገዳሲ’ዩ ዝብል ዘለኹ’ ኢሉ ዊል ዴቪድሰን። ዓለም ለኸ ትካል ቅልውላው ኣብ ናይ ዳሕረዋይ ሪፖርቱ ‘ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ንኣራሳሳኒ መደረታት ንከወግዱ’ ጸዊዑ ኣሎ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/icg-ethiopia-political-crisis-prime-minister-abyi-ahmed-oromia-amhara-tigray\/5225603.html"} {"headline":"‘ሰራዊት ምክልካል ኣብ ፕሮግራም ብልጽግና ፓርቲ ክመያየጥ ተገዲዱ ዝብል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ’ዩ’ ብ\/ጀ ተሾመ ገመቹ","content":"ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ብልፅግና ፓርቲ ፕሮግራም ክመያየጥ ተገዲዱ ዝብል ሓበሬታ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ እዩ ክብሉ ሓደ ላዕለዋይ መኮነን እቲ ስራዊት ሓቢሮም።ንሶም ወሲኾም ኢትዮጵያ ካብ ፖለቲካ ገለልተኛ ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ምህናፅ ከም እትርከብ እውን ገሊፆም። ናይ ኢትዮጵያ ስትራተጂካዊ ጉዳያት ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘዳልዎ ህዝባዊ ምይይጥ ዝተሳተፉ ንሰራዊት እታ ሃገር ዝምልከት ርእይቶታትን ሕቶታትን ምቕራቦም ይገልጹ።ሎሚ እውን ገለልተኝነት ናይቲ ሰራዊት ዝተረጋገፀ ኣይኮነን፣እቲ ሰራዊት ኣብ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ፓርቲ ብልፅግና ክመያየጥ ተገዲዱ ንዝብል ኣብቲ መድረኽ ዝቐረበ ርእይቶ መልሲ ዝሃቡ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ዋና ዳይሬክተር ማእኸል መፅናዕቲ ብርጋዴር ጀነራል ተሾመ ገመቹ ነዚ ብትሪ ነፂጎምዎ ኣለው። “እቲ ሰራዊት ፕሮግራም ፓርቲ ብልፅግና ንክመያየጥ ተገዲዱ እዩ ዝብል ፈፂሙ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ እዩ።ሕጂ ዘሎ ሰራዊት ነዚ ዝብሃል ዘሎ ከምዝቕበል ጌርኻ ምውሳድ ቅኑዕ ኣይኮነን፤ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ እዩ፤ምፅራይ ይክኣል እዩ።ስለዚ ከም ጌጋ ሓበሬታ ንክትሓዝ እየ ዝዛረብ ዘለኹ።” ጀነራል ተሾመ ብምቕጻል ፌደራል ስርዓት መንነትን ቋንቋን መሰረት ዝገበረ ብምዃኑ ገዛእቲ ፓርቲታት ክልላት ንዕኦም ዝጠቅም ስጉምቲ ክወስዱ ከለው እቲ ሰራዊት ክከፋፈል ወይ ክፈርስ እዩ ዝብል እውን ዘይኸውን እዩ ኢሎም ። ንሶም ሰራዊት ምክልኻል ናይ ፓርቲታት ጭራ ዘይኮነስ ናብ ወለዶ ዝሰጋግር፣ፓርቲታት ብዝፈረሱ ቁፅሪ ሰራዊት እናፍረሰት እትሃንፅ ሃገር ምዃና ከብቅዕ ከምዘለዎ ዝርዳእ መሪሕነትን ሰራዊትን እዩ ዘሎ ስለዚ ምፍራስ ዝብሃል የለን ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%8C%BD%E1%8C%8D%E1%8A%93-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%98%E1%8B%AB%E1%8B%A8%E1%8C%A5-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%8B%B2%E1%8B%B1-%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%93%E1%89%82-%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%88%93%E1%89%90-%E1%8B%A9-%E1%89%A5-%E1%8C%80-%E1%89%B0%E1%88%BE%E1%88%98-%E1%8C%88%E1%88%98%E1%89%B9\/5225462.html"} {"headline":"ቤት ፍርዲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ 27 አባላት ጸጥታ’ታ ሃገር ናይ ሞት ፍርዲ ሂቡ","content":"ሓደ ቤት ፍርዲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ እሱር ስቕያት ብምፍጻም ሞት ኣስዒቦም’ዮም ንዝበሎም 27 አባላት ጸጥታ’ታ ሃገር ናይ ሞት ፍርዲ ፈሪዱ።እቲ እሱር ኣብ እዋን ኣንጻር ስርዓት ኣልበሽር ዝካየድ ዝነበረ ተቓውሞ ተሳታፊ ዝነበረ ኣሕመድ ኣል ኬር ዝተባህለ መምህር ኮይኑ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ የካቲት ኣብ ማእሰርቲ ከሎ ምሟቱ ይፍለጥ። እዚ ሎሚ ኣብ ቤት ፍርዲ ከተማ ኡምዱርማን ዝተኻየደ መስርሕ ፍርዲ ኣብ እዋን ተቓውሞ ንዝተኻየዱ መቕተልቲ ብዝተሓሓዝ ዝተኻየደ ናይ መጀመርያ መስርሕ ፍርዲ’ዩ። ኣብቲ ሎሚ ዝወዓለ መጋባእያ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ኣፍደገ’ቲ ቤት ፍርዲ ብምትእኽካብ ፍትሒ ንኣል ኬር ጠሊቦም። ኣል ኬር ዝሓለፈ ዓመት ጥሪ 31 ኣብ ከሰላ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ክኸውን ከሎ ድሕሪ ክልተ መዓልታት ኣብ ማእሰርቲ ከሎ ምሟቱን ስድራቤት ሬሳ ኣብ ዝተቐበልሉ አካላቱ ስንብራትን ማህሰይቲ ከምዝነበሮ ይገልጹ፡ ፖሊስ ኣብቲ እዋን’ቲ ዝኾነ ንሞት ዝዳርግ ኩነታት ከምዘይተፈጸመን ጠንቂ ሞት ሕማም ምዃኑ ምግላጾም ይዝከር። ይኹን ደአ እምበር ቤት ፍርዲ ሎሚ ኣል ኬር ብሰንኪ ዘጋጠሞ ማህረምቲን ስቅያትን ምሟቱ ብምርግጋጽ ኣብ ሞት’ቲ ውልቀሰብ ኢድ አለዎም ንዝበሎም 27 አባላት ጸጥታ’ታ ሃገር ናይ ሞት ፍርዲ ፈሪዱ’ሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣቐዲሙ ሓደ ቤት ፍርዲ ካርቱም ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣል በሽር ብዝቐረበሎም ክሲ ብልሽውና መሰረት ንክልተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ክጸንሑ ምፍራዱ ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-27-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%9E%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8D%88%E1%88%AA%E1%8B%B1\/5225307.html"} {"headline":"ህውሓት ናብ ብልጽግና ፓርቲ ንምጽንባር ክውስን’ዩ ዝብል እምነት’ዩ ዘላና ኢሎም ወሃቢ ቃል ብልጽግና ፓርቲ","content":"ወሃቢ ቃል ፓርቲ ብልጽግና ኣቶ አወሉ አብዲ እቲ ዘለና እምነት ኣብቲ ዝተዋህቦም ናይ ጊዜ ወሰን ወሲኖም ክመጹ’ዮም ዝብል’ዩ ክብሉ ኣፍሊጦም። ህውሓት ብወገኑ ኣብ ቐዳመ ሰንበት ህዝባዊ ኮንፈረስ ከምዘካይድ ሓቢሩ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%8C%BD%E1%8C%8D%E1%8A%93-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8C%BD%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%8A%AD%E1%8B%8D%E1%88%B5%E1%8A%95-%E1%8B%A9-%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%A5%E1%88%9D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8B%A9-%E1%8B%98%E1%88%8B%E1%8A%93-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A2-%E1%89%83%E1%88%8D-%E1%8A%93%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A6%E1%88%9D\/5222730.html"} {"headline":"ቁጽሪ ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ደቡብ ክልል ዝተራእየ ሕማም ለበዳ ዝተታሕዙ ሰባት ናብ 153 ምድያቡ ተገሊጹ","content":"ቅድሚ መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ ደቡብ ክልል ዞባ ጎፋ ንኣርባዕተ ሰባት ዝቐተለን ንኻልኦት 121 ሰባት ዘሕመመን ለበዳ ሕማም ኮሌራ ምዃኑ ናይቲ ክልል ቢሮ ጥዕና ኣረጋጊፁ። ዘጋጠመ ሓዱሽ ሞተ እንተዘይሃለወ እውን ቁጽሪ በቲ ለበዳ ዝተታሓዙ ሰባት ናብ 153 ከምዝደየበ ኣብ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ሓላፊ ዳህሳስ ሃንደበታዊ ሕማማት ኣቶ እናዳሽው ሽብሩ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።እቲ ሕማም ከይጋፋሕ መድሓኒት ናይ ምቕራብን ኣፍልጦ ናይ ምዕባይ ስራሓት ይስርሑ ከምዘው ወሲኾም ሓቢሮም። እቲ ለበዳ ንምክልኻል ግብሪ ሓይሊ ምጥያሹ እውን ተሓቢሩ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%A5%E1%8B%A8-%E1%88%95%E1%88%9B%E1%88%9D-%E1%88%88%E1%89%A0%E1%8B%B3-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%95%E1%8B%99-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-153-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%8B%AB%E1%89%A1-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5222689.html"} {"headline":"ቦርድ ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ንብልጽግና ፓርቲ ናይ ኣፍልጦ ሰርቲፊኬት ክህብ ወሲኑ","content":"ወሃቢ-ቃል ብልጽግና ፓርቲ ኣቶ ኣወል ኣብዲ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መጠይቕ፡ “ ናብ`ዚ ደረጃ`ዚ ብምብጻሕና ንኹሎም ኣባላትናን ንምሉእ ህዝቢ ኢትዮጵያን እንቋዕ ኣሓጎሰና” ኢሉ። ብልጽግና ፓርቲ ንኽምስረት ዘይድግፉ ሓይልታት ክምለሱ`ዮም ኢልና ኢና ንጽበ ዝበለ ኣቶ ኣብዲ፡ ዝቕጽል ጉባኤ ክሳብ ዝካየድ እቲ ኣብ ኢህወደግ ዘሎ ቤት ምኽሪ ኣብ ብልጽግና ፓርቲ`ውን ነዛ ሃገር ምምሕዳሩ ክቕጽል`ዩ ኢሉ። ሕወሓት ኣብ ኣደባባይ ንምምስራት ብልጽግና ፓርቲ ስለ ዝተቓወመ ጉዳይ ሕወሓት እንታይ ክኸውን`ዩ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ኣቶ ኣወል፡ “ እቲ ኣጀንዳ ካብ መፈለምትኡ ብሓባር ኮይና ስለዝጀመርናዮ፡ ሕጂ`ውን ምስ ኣባላትና ተመኻኺርና ወሲና ክንመጽእ ኢና ኢሎም`ዮም ኸይዶም`ምበር ብደገ ከምዝዝረብ ብወግዒ ወጺእና ኢና ኣይበሉን “ ኢሉ። ኣተሓሒዙ፡ “ ብናትና እምነት በቲ ዝተዋህቦም ናይ ግዜ ደረት ወሲኖም ክመጹ`ዮም ዝብል ግምት`ዩ ዘለና” ኢሉ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ብልጽግና ፓርቲ ኣቶ ኣወል ኣብዲ። ኣይንምለስን ኢሎም እንተወሲኖም ኣብ መንግስቲ ዘለዉ ሚንስትራትን ሰበ-ስልጣንን ኣባላት ሕወሓት ዕጭኦም እንታይ`ዩ ክኸውን ንዝብል ሕቶ ክምልስ ከሎ ድማ፡ ብገዛኢ ፓርትን ብመንግስትን ሽዕኡ ዝውሰን`ዩ ዝኸውን፡ ኣብ`ዚ ሰዓት`ዚ ግን ብእኡ ደረጃ ተዘሪብሉ ዝተቐመጠ ነገር የለን ኢሉ። ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A6%E1%88%AD%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%89%A6%E1%88%AD%E1%8B%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%8C%BD%E1%8C%8D%E1%8A%93-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8D%E1%8C%A6-%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%8D%8A%E1%8A%AC%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%85%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%88%B2%E1%8A%91\/5221402.html"} {"headline":"ኣብ መንጎ ክልላት ኣምሓራን ትግራይ ዘሎ ውጥረት ንምፍታሕ ዝዓለመ መድረኽ ዘተ ተኻይዱ","content":"ኣብ መንጎ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዝረአ ውጥረት ካብ ጉዳይ ፖለቲከኛታት ናብ ማሕበረሰባት ከይተሰጋገሩ ብአጋኡ ክእለ ኣለዎ ተባሂሉ። ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትና ንምሕያልን ብውሽጣዊ ጸገማትና ብልዝብ ንምፍታሕ ብዝብል ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ንሰላም ሃገር ኹሉ እጃሙ ይገብር ዝብል መጸዋዕታ ቐሪቡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8E-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8B%8D%E1%8C%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%88%95-%E1%8B%9D%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%98-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%8A%BD-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/5221366.html"} {"headline":"ጅግና ዓመተ 2019 መደበር ቴሌቭዥን ሲኤንኤን ኢትዮጵያዊት ፍረወይኒ መብራህቱ መቐለ ኣብ ዝኣተወትሉ ድሙቕ ኣቀባብላ ተጌሩላ","content":"መደበር ቴሌቭዥን ሲኤንኤን ጅግና እዚ ዓመት ኢሉ ዝሸለማ ወይዘሮ ፍረወይኒ መብራህቱ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝ አተወትሉ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩላ:: ወ\/ሮ ፍረወይኒ ንዝመረፅዋን ንዝተገበረላ ድሙቕ ኣቀባብላን ኣመስጊና:: \"እዚ ንኽብሪ ደቂ ኣንስትዮ እዩ ተገይሩ፡ ወርሓዊ ፅግያት ክብሪ'ዩ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝህጸብ መንዲል ንጽህና (ሞዴስ) ብምፍራይ ብፍላይ ኣብ ገጠር ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ኣማራፂ ንኽረክባ ፋብሪካ ኣብ ከተማ መቐለ ከፊታ ኣብ ምስራሕ ትርከብ ወይዘሮ ፍረወይኒ መብራህቱ ጅግና እዚ ዓመት ተባሂላ ኣብ መደበር ቴሌቭዥን ሲኤን ኤን ድሕሪ ምምራፃ ሎሚ ከተማ መቐለ ኣትያ:: ካብ መዕረፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ጀሚሩ ኣብ ጎደናታት መቐለ ህዝቢ ወፂኡ ብድምቀት ተቐቢልዋ:: ብፍላይ ደቂ- ኣንስትዮን መንእሰያትን ንፍረወይኒ እንኳዕ ሓጎሰኪ ዝብል ፅሑፋት ብምሓዝን መርኣየኦም ምኳና እናገለፁ ተቐቢሎማ:: ፍረወይኒ በቲ አቀባብላ ኣዝያ ከምዝተሓጎሰት ድሕሪ ምግላፅ እቲ ኣቀባብላ ንኽብሪ ደቂ ኣንስትዮ ዝተገበረ እዩ ኢላቶ:: ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ክሰፍን ፍረወይኒ ትምኒታ ገሊፃ:: ኣመራርሓ ሲኤንኤን ደቂ ዓድኺ እዮም መሪፆም ናብዚ ሽልማት ኣብቂዖምኺሞ ንዕኦም ኣመስግኒ ኢሎምኒ ኢላ::ፍረወይኒ ንክትምረፅ ጎስጓስ ንዝገበሩን ንዝመረፅዋን ድማ ኣመስጊና:: ኣብቲ ኣቀባብላ ስነስርዓት ዝረኸብኩዋ ዮርዳኖስ ኣለሙ ዝተባህለት ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ወልዱንጉስ ተምሃሪት 9ይ ክፍሊ ብፍረወይኒ ዝስራሕ ሞዴስ ንሳን መሓዙታን ከምዝጥቀማ ነጊራትኒ:: በዚ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ተማሃሮ ትምህርተን ብስርዓት ክከታተላ ይሕግዘን ከምዘሎ ገሊፃ:: No media source currently available ሲኤንኤን ጅግና ኢሉ ንዝሓረያ ፍረወይኒ መብራህቱ ሽልማት 100 ሽሕ ዶላር አበርኪቱላ እዩ:: ፋብሪካ ዝሕጸብ ሞዴስ ማርያም ሰባ፡ ኣብ ዓመት ክሳብ ሓደ ሚሊዮን ዝበፅሕ መንዲል ንጽህና (ሞዴስ) የፍርይ ኣብ ገጠራት ትግራይ: ዓፋርን ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያን ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮን ተማሃሮ ድማ ብትሑት ዋጋ የቕርብ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%85%E1%8C%8D%E1%8A%93-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B0-2019-%E1%88%98%E1%8B%B0%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%89%B4%E1%88%8C%E1%89%AD%E1%8B%A5%E1%8A%95-%E1%88%B2%E1%8A%A4%E1%8A%95%E1%8A%A4%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8D%8D%E1%88%A8%E1%8B%88%E1%8B%AD%E1%8A%92-%E1%88%98%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%88%85%E1%89%B1-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%89%B5%E1%88%89-%E1%8B%B5%E1%88%99%E1%89%95-%E1%8A%A3%E1%89%80%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%8B-%E1%89%B0%E1%8C%8C%E1%88%A9%E1%88%8B\/5221175.html"} {"headline":"ፕረ.ኢሳያስ ኣፈወርቂን ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድን ኣብ ዝህነጽ ዘሎ ኤምባሲ ኤርትራ እምነ መሰረት ኣንቢሮም","content":"ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድን፡ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ከባቢ ስድስት ኪሎ ንዝህነጽ ኤምባሲ ኤርትራ፡ እምነ-መሰረት ኣንቢሮም። ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ስነ ስርዓት፡ እቲ ቦታ ህንጸት ንህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝተዋህበ ህያብ``ዩ ክብሉ ከለዉ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብወገኖም፡ ኤርትራ ነቲ ንሰለስተ ወለዶታት ዝተኸስረ ዕድላት፡ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ንዝተኸፍተ ሓድሽ ናይ ምትሕብባር ምዕራፍ ንምሕያል ክትሰርሕ`ያ ምባሎም፡ ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብወገኖም፡ ንህዝብታት ክልቲኣን ሃገራት ካብ ድኽነት ንምውጻእ ብዘይምሕላል ክንሰርሕ ኢና፡ 2020፡ ድማ ንህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ካብኡ ሓሊፉ`ውን፡ ንምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ናይ ብልጽግና መጀመርያ ዓመት ክትከውን`ያ ምባሎም፡ ኣገልግሎት ዜና ፋና ጠቒሱ`ሎ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ፕዚሲደንት ኢሳያስ ኣብ ከተማ ኣዳማን ኣብ`ቲ ከባቢ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ክልል ኦሮሚያን ብምብጻሕ፡ ዝተፈላለዩ ኢንዱስትሪያውን ሕርሻውን ፕሮጀክትታት ከምዝተዓዘቡ ኣገልግሎት ዜና ፋና ይሕብር። ንናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ትማሊ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ተሰንዮም፡ ኣብ ከባቢ እንጦጦ ንዝርከብ ሓዲስ መቆጻጸሪ ሳታላይት ምዕዛቦም ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%82%E1%8A%95-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%85%E1%8A%90%E1%8C%BD-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8A%A4%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A5%E1%88%9D%E1%8A%90-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/5221082.html"} {"headline":"ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ አዲስ አበባ ኣትዮም","content":"ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ብዝገብረሎም ዕድመ ሎሚ አዲስ አበባ ኣትዮም። ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ክልቲኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ከምዝዘራረቡ ሚንስትር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሮም። ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን አማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረአብ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናብ አዲስ አበባ ምኳዶም ተገሊጹ'ሎ። ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ከባቢ እንጦጦ ዝርከብ ማእከል መዓዘቢ ሳተላይትን ንፓርክ ሓድነትን ምብጽሖም ተፈሊጡ'ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%88%9D\/5219768.html"} {"headline":"ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ዝገበሮ ዑደት ዕዉት ምንባሩ ተገሊጹ","content":"ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኤርትራ ዘካየዶ ናይ ፈለማ ባህላዊ ምድላዋት ዛዚሙ ሎሚ ታሕሳስ 24 ናብ ሃገሩ ተመሊሱ’ሎ። እቲ ጉጅለ ባህሊ ኣብ ከተማታት ከረን: ባጽዕን ኣስመራን ዘካየዶ ባህላዊ ምርኢት ውጽኢታዊን ዝተመደበሉ ዒላማ ዝወቐዐ ምንባሩ አባላት’ቲ ጉጅለ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%8A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%88%AE-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8B%95%E1%8B%89%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5218777.html"} {"headline":"ኣብ አዲስ አበባ ዝተኻየደ ናይ ሰላም ኮንፈረስ ተዛዚሙ","content":"ሰላምን ምርግጋእን ኢትዮጵያ ብዝምልከት ንሓደ ወርሒ ዝአኽል ብማሕበረሰብ ንግዲ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ክካየድ ዝቐነየ መድረኽ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተዛዚሙ። ኣብቲ መድረኽ ዝተረኽበ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ምትሕብባር ክልቲኦም ወገናት ለውጢ ከምጽእ ይክእል’ ዩ ምስ ዝፈላለዩ ግን ዝልውጦ ነገር የለን ኢሎም። ሚንስትር ሰላም ወ\/ሮ ሙፍርያት ከማል’ውን ኣብቲ መድረኽ መደረ አስሚዐን ኔረን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B0-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%AE%E1%8A%95%E1%8D%88%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%99\/5218692.html"} {"headline":"መድረኽ ዕርቂ ከተማ ድሬዳዋ","content":"ኣብ ድሬዳዋ ካብ ዝሓለፈ ጳጉሜ ጀሚሩ ተፈጢሩ ኣብዝነበረ ግጭት ዝተሳተፉን ዝተጎድኡን ዝሳተፉሉ ሰፊሕን ተኸታታሊን ናይ ዕርቂ መድረኽ ተዳሊዩ።ብገበን ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡን ዝድለዩን ግን እቲ ዕርቂ ኣይምልከትን ተባሂሉ’ሎ።ነቲ ዕርቂ ዘፈፅሙ ዓበይቲ ዓዲ፣መራሕቲ ሃይማኖትን ተወከልቲ ከባቢን መብርሂ ተዋሂቦም ኣሎ። እዚ ጨንፈር ፌደራል ዓቃቢ ሕጊን ፖሊስን ድሬዳዋ ዘዳለውዎ መድረኽ ዕርቂ ንኽልተ ኣዋርሕ ግጭት ዝተኻየዶም ከባቢታት ናብ ንቡር ንምምላስን ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ ነበርቲ ድማ ክምለሱ ንምሕጋዝ ዘኽእልን እዩ ተባሂሉ’ሎ። ሽማግለታት ዓዲ፣መራሕቲ ሃይማኖትን ፍሉጣት ሰባት ትፅቢት ዝግበረሎም መብርሂ ተዋሂቡዎ፤ቃለ ምሓላ እውን ፈፂሞምን ኣለው። “እቲ ዕርቂ ካብ 15 ክሳብ 25 ታሕሳስ ከምዝካየድ ተሓቢሩ’ሎ።ግጭት ዝነበሮም ኩሎም ከባቢታት ከምዝሳተፉ ሓላፊ ፌደራል ዓቃቢ ሕጊ ጨንፈር ድሬዳዋ ኣቶ ረድኤት ግርማ ገሊፆም። “ንኣተሓባበርቲ ዝርዝር ናይ ምትዕራቕ ስራሕ ስለ ዝውሃብን በብከባቢኡ ንእተመደቡ ኣተሓባበርቲ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ዓይቲቲ ዓድን ኣባገዳታትን በዚ ኣገባብ እዮም ክምደቡ። “ እቲ ዕርቂ ፈላማ በብከባቢ፣ቀፂሉ ብደረጃ ጣቢያ፣ስዒቡ ድማ ብደረጃ ምምሕዳር ከምዝካየደ ተሓቢሩ’ሎ። መስርሕ ክሲ ምስቲ ግጭት ብዝተኣሳሰረ ገበን ፈፂሞም ዝተኸሰሱን ንመጻኢ’ውን ዝኽሰሱ ተጠርጠርቲ ከምዝቕፅል ኣቶ ረድኤት ግርማ ሓቢሮም ኣለው።ክሳብ ሎሚ 96 ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም’ውን ወሲኾም ገሊፆም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5218677.html"} {"headline":"ፕረ.ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ወራሲ-ዓራት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተራኺቡ ምዝርራቡ ተገሊጹ","content":"ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ትማሊ ኣብ ኣቡዳቢ ምስ ወራሲ-ዓራት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ልዑል ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናኽያን ተራኺቡ ብዛዕባ ክልቲኣዊን ዞባውን ጉዳያት ምዝርራቡ ምንጭታት ኣቡዳቢን ኣስመራን ሓቢሮም። ፕረዚደንት ኢሳያስ ምስ ምኽትል ቀዳማይ ሚንስተርን ተጸዋዒ ፕረዚደንታዊ ጉዳያትን ሺኽ መንሱር ቢን ዛይድን ምስ ምኽትል ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሓይልታት `ታ ሀገርን ምምካሩ፡ ካብ ኢማራት ዓረብ ዝወጹ ጸብጻባት ሓቢሮም። ብዘይካ’ዚ እቲ ርክብ ኣብ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ልምዓት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ መዳያት ኤንርጂን ሕርሻን ዘተኮረ ምንባሩ፡ ካብ ሚንስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ዝወጸ ናይ ትዊተር መልእኽቲ የመልክት። ኤርትራን ኢማራት ዓረብን፡ ኣብ ተሓዳሲ-ኤንርጅን፡ ሕርሻን ምትሕብባረን ንምዕባይ ኣብ ዘኽእል ስምምዕ ምብጽሐን `ውን ተጠቒሱ`ሎ። ከምኡ`ውን ክልቲኤን ሃገራት ኣብ`ዚ ቐረባ ብዛዕባ ዝርኣዩ ዘለዉ ዞባውን ዓለምለኻውን ለውጥታት ድሕሪ ምዝታይ፡ ንሓባራዊ ረብሓ ብዘኽብር መልክዕ ተሓባቢረን ንምስራሕ ምምካረን ተሓቢሩ`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%88%E1%88%AB%E1%88%B2-%E1%8B%93%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%89%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%88%9B%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%89%A5-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A1-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%88%AB%E1%89%A1-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5218428.html"} {"headline":"ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ናይ መወዳእታ ምርኢቱ ንህዝቢ ኣቅሪቡ","content":"ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ሰንበት 22 ታሕሳስ 2019 ኣብ ኣስመራ- ሲነማ ሮማ ናይ መወዳእታ ባህላዊ ምርኢቱ ንህዝቢ ኣቅሪቡ። ኣብቲ ምሸት ህቡባትን ፍትዋትን ደረፍት ጸደንያን ቤቲጂን ናይ ፈለማ ሙዚቃዊ ምርኢተን ብምቕራብ ነቲ ባህላዊ ምሸት ድምቀት ወሲኸናሉ ኣምስየን። ብጉጅለ ባህሊ ብሔራዊ ትያትርን ጃኖ ባንድን ዝቐረብ ምርኢት ውጺኢት ናይቲ ዝተረኽበ ሰላም ከምዝኾነን ህዝቢ ንህዝቢ ዘራኸበ መደብ ከምዝነበረ ነበርቲ ኣስመራ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቦም። No media source currently available ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓለን ናይ ሓደ ሰሙን ግዜ ፡ኣብ ከተማታት ከረን፡ ምጽዋዕን ኣስመራን ዓብይን ታሪኻዊ ዝተባህለሉ ምርኢት ድሕሪ ምርኣዩ ጽባሕ ሰሉስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክምለስ’ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%8A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8B%88%E1%8B%B3%E1%8A%A5%E1%89%B3-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%A2%E1%89%B1-%E1%8A%95%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8A%A3%E1%89%85%E1%88%AA%E1%89%A1\/5217494.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ 3 መሳጊድ ባርዕ ሓዊ አጋጢምወን፡ነዚ ዝቓወም ሰልፊ ተኻይዱ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ከተማ ሞጣ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ መሳጊድ ባርዕ ሓዊ ከምዘጋጠመ ተገሊፁ። ድሕሪ እዚ ባርዕ ሓዊ ተጠርጠርቲ ኣብ ምሓዝን ነቲ ከባቢ ኣብ ምርግጋእን ይስራሕ ከምዘሎ፤ዳግመ ህንፀት እውን ይካየድ ምህላውል ፖሊስ እቲ ከባቢ ገሊፁ’ሎ። ነዚ ዝተፈፀመ ባርዕ ሓዊ ዝቃወም ሰልፊ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ምኽያዱ’ውን ተገሊጹ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-3-%E1%88%98%E1%88%B3%E1%8C%8A%E1%8B%B5-%E1%89%A3%E1%88%AD%E1%8B%95-%E1%88%93%E1%8B%8A-%E1%8A%A0%E1%8C%8B%E1%8C%A2%E1%88%9D%E1%8B%88%E1%8A%95-%E1%8A%90%E1%8B%9A-%E1%8B%9D%E1%89%93%E1%8B%88%E1%88%9D-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/5217376.html"} {"headline":"ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ፈላማይ ህዝባዊ ዘተ ኣብ ከተማ መቐለ ኣካይዱ","content":"እቲ ውድብ ፕሮግራሙ ንህዝቢ ንምልላይን ካብ ህዝቢ ድማ ርእይቶታት ንምቕባል እቲ ዘተ ከምዘዳለዎ ኣፍሊጡ:: እቲ ውድብ ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ህዝቢ ኣብ ዘካየዶ ዘተ ፕሮግራም እቲ ውድብ ቐሪቡ ምይይጥ ተኻይድሉ እዩ:: አታሓባባሪ እቲ ውድብ ኣይተ ክንፈ ሓዱሽ \"እቲ መድረኽ ዝተዳለወ ፕሮግራምና ንህዝቢ ንምልላይ እዩ\" ኢሎም:: ንሶም ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ረብሓ ክልል ትግራይ ክኽበር ንምስራሕ ዝዓለመ ብሄርተኛ ውድብ እዩ ኢሎም። ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምምሕያሽ ክልላት ዝሓሸ ሉኣላዊ ስልጣን ክህልወን ብምግባር ኣብ ፌደራል መንግስቲ ዘሎ ስልጣን ክንኪ ንምግባር ክንቃለስ ኢና ኢሎም:: ረብሓታት ክልል ትግራይ ንምኽባር ብመሰል ዓርሰ ውሳነ ክሳብ ምምስራት ሃገር ዝቃለስ ውድብ እዩ ክብሉ ኣይተ ክንፈ ገሊፆም:: ኣይተ ክንፈ ኣብ ዝሓለፉ 28 ዓመታት ፌዴራላዊ ስርዓት ንሽሙ እምበር ብተግባር ኣይነበረን ክልላት ኣብ ፌደራል መንግስቲ ፅግዕተኛ ኮይነን እዩ ይስራሕ ፀኒሑ ኢሎም:: ክልላት ባዕለን ናይ ኢኮኖሚ ፖሊሲ ክቐርፃ ክልል ትግራይ እውን ናይ ባዕላ ፖሊሲ ብምውፃእ ዓበይቲ ትካላት ክትውንን ክንሰርሕ ኢና ኢሎም:: ንሶም ወሲኾም ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ እቲ ውድብ ሶሻል ዴሞክራሲ እዩ ድሕሪ ምባል ምስ ኤርትራውያን ልኡላውነት እታ ሃገር ብዘኽበረ: ምስ ዴሞክራሲያውያን ሓይልታት ክንሰርሕ ኢና ኢሎም:: ኣብቲ ህዝባዊ መድረኽ ካብ ህወሓት ብምንታይ ትፍለዩ ተባሂሎም ተሓቲቶም \"ህወሓት ኣብ ፕሮግራሙ ከምዘቐመጦ ደርባዊ ቃልሲ ዘካይድ እዩ ንሕና ግን ብሄር መሰረት ዝገበርና ኢና\" ክብሉ መልሲ ሂቦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%B3%E1%88%8D%E1%88%B3%E1%8B%AD-%E1%8B%88%E1%8B%AB%E1%8A%90-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/5217331.html"} {"headline":"ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ከተማ ባጽዕን ናብ ሓንቲ ካብ ደሴታት ዳህላክ ዝገበርዎ ዑደት","content":" ኣባላት ብሄራዊ ትያትርን ጃኖ ባንድን ዝሓዘ ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ድሕሪ`ቲ ኣብ ከረን ዘርኣዮ ምርኢት ሎሚ ዓርቢ ድማ ኣብ ከተማ ባጽዕ ንህዝቢ ዓቢይ ምርኢት ከምዘርኣየ ካብ`ቲ ቦታ ተገሊጹ። እቲ ሰበ-ስልጣን ሚንስትሪ ወጻእን ቱሪዝምን ኢትዮጵያ ዝርከብዎ ጉጅለ፡ ሎሚ ብሰለስተ ጃልባታት ኣብ ሓንቲ ደሴት ዳህላክ ከምዝበጽሐ`ውን ወኪል ቪኦኤ ካብ ከተማ ባጽዕ ሓቢሩ`ሎ። እቲ ጉጅለ ሰንበት ኣብ ከተማ ኣስመራ ዛዛሚ ምርኢት ከምዘቕርብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ`ሎ። ጸብጻብ ብርሃነ በርሀ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡ No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5214422.html"} {"headline":"\"ረብሓ ትግራይ ኣብ ሕብረብሄራዊት ኢትዮጵያ ከመይ ይግለፅን ይረጋገፅን\" ዝብል ኮንፈረስን ኣብ መቐለ ተኻይዱ","content":"\"ረብሓ ትግራይ ኣብ ሕብረብሄራዊት ኢትዮጵያ ከመይ ይግለፅን ይረጋገፅን\" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝተሰናደአ ኮንፈረስ ንክልተ መዓልታት ተኻይዱ:: ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ውድባት ፖለቲካ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ከመይ ይረጋገፅ ዝብል ኣማራፂ ሓሳብ ኣላልዮም:: No media source currently available ብተወሳኺ ድማ ብብምሁራን ነባሪ ረብሓ የረጋግፅ ዝተብሃሉ ሓሳባት እውን ቀረቡ እዩ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%A8%E1%89%A5%E1%88%93-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%A5%E1%88%84%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A8%E1%88%98%E1%8B%AD-%E1%8B%AD%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8D%85%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%8C%8B%E1%8C%88%E1%8D%85%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%AE%E1%8A%90%E1%8D%88%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/5214316.html"} {"headline":"ረቒቕ ሕጊ 'ኣዋጅ ምክልኻል ናይ ፅልኢ ዘረባን ዝንቡዕ ሓበሬታን' ንመሰል ሓሳብካ ብናጽነት ምግላጽ ስግኣት ክከውን ይክእል'ዩ ተባሂሉ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክተኣታተው ዝሕሰብ ዘሎ ሓዱሽ ሕጊ ንነፃነት ፕረስን ብመርበብ ሓበሬታ ሓሳብካ ናይ ምግላፅ መሰልን ስግኣት እዩ ተባሂሉ። ኣብ ለንደን ዝመደብሩ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይት ዎች ሎሚ ዓርቢ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ናይ ኢትዮጵያ “ኣዋጅ ምክልኻል ናይ ፅልኢ ዘረባን ዝንቡዕ ሓበሬታን’’ ዝብል ረቂቕ ሕጊ እንተድኣ ፀዲቑ ብመርበብ ሓበሬታ፣ብፈነወ ወይ ብሕትመት ኣቢሉ ፅልኢ ዘለዓዕል መልእኽቲ ብገበን ዘሕትት ከኸውን እዩ ኢሉ ። እቲ ሕጊ ብ ካቢነ ቀዳማይ ሚንስትር ፀዲቑ’ሎ: ኣብ ግብሪ ክውዕል ግን ብፓርላማ ክፀድቕ ኣለዎ። ነቐፍቲ እቲ ሕጊ ንድምፅታት ነቐፌታን ፖለቲካዊ ተወዳደርትን ንምዕፋን ክውዕል ይኽእል እዩ ይብሉ ።ነቲ ሕጊ ዝድግፉ ግን ዓሌታዊ ፅልኢ ከይጎሃሃር ዝገብር ስለዝኾነ ኣገዳሲ እዩ ይብሉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%A8%E1%89%92%E1%89%95-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%8C%85-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8D%85%E1%88%8D%E1%8A%A2-%E1%8B%98%E1%88%A8%E1%89%A3%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%8A%95%E1%89%A1%E1%8B%95-%E1%88%93%E1%89%A0%E1%88%AC%E1%89%B3%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8D-%E1%88%93%E1%88%B3%E1%89%A5%E1%8A%AB-%E1%89%A5%E1%8A%93%E1%8C%BD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%88%8B%E1%8C%BD-%E1%88%B5%E1%8C%8D%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8A%A8%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%8A%AD%E1%8A%A5%E1%88%8D-%E1%8B%A9-%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%82%E1%88%89\/5214291.html"} {"headline":"ናብ ትግራይ ዘምርሑ ዝነበረ ጉጅለ ልኡኻት ቻይና ብፈደራል መንግስቲ ተኸልኪሎም ክብል መንግስቲ ክልል ትግራይ ከሲሱ","content":"ናብ ክልል ትግራይ ክጉዓዙ ዝነበሮም ጉጅለ ልኡኽ ቻይና ብፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ተኸልኪሎም ክብል መንግስቲ ክልል ትግራይ ኸሰሱ። ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ከምዝገለፅኦ ብቕድሚ ትማሊ ንስራሕ ካብ ቻይና ግዝኣት ሻንሲ ዝተበገሰ ጉጅለ ልኡኻት ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ጉዕዞ ከካይዱ ኣብ ነፋሪት እናሃለዉ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ክምለሱ ተገይሩ ኢለን:: እቲ ጉዕዞ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ዝፈልጦ እዩ ዝበላ ንሰን እዚ ኣካል ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ብተደጋጋሚ ይካየድ ዘሎ ወፍሪ እዩ ክብላ ተዛሪበን:: ካብ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ መልሲ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ አይሰመረን:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%91-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BB%E1%89%B5-%E1%89%BB%E1%8B%AD%E1%8A%93-%E1%89%A5%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%88%8D%E1%8A%AA%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A8%E1%88%B2%E1%88%B1\/5214233.html"} {"headline":"መዓልቲ ፍልሰተኛታት ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ተኸቢሩ","content":"ፍልሰት ብዝግባእ እንተተመሪሑ ፍልሰተኛታት ንዝጽንበርዎም ማሕበረሰባት በረኸት ደአ እምበር መርገም ኣይኮኑን ክብሉ ሓላፊ ዓለምለኸ ትካል ፍልሰተኛታት ተዛሪቦም። ኣብ ኢትዮጵያ ፍልሰት ሰባት ደልዮም ዝመረጽዎ እምበር ዘይተርፍ ዕጫኦም ክኸውን ከምዘይብሉ ትካሎም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ይሰርሕ ከምዘሎ’ውን ወሲኾም ሓቢሮም። ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ጥራይ ኣስታት 300,000 ኢትዮጵያዊያን ካብ ስዑዲ ዓረብ ናብ ሃገሮም ምምላሶም’ውን ተሓቢሩ’ሎ። መዓልቲ ፍልሰተኛታት ሎሚ ኣብ ዋና ከተማ ኢትዮጵያ አዲስ አበባ ኣብ ዝተኸብረሉ ዳይሬክተር ጨንፈር ዓለምለኸ ትካል ፍልሰተኛታት ሞሪን አቺን ንመልእኽቲ’ቲ ሓላፊ ብምድጋም መልእኽተን ኣመሓላሊፈን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%8D%8D%E1%88%8D%E1%88%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%89%A2%E1%88%A9\/5212888.html"} {"headline":"ናይዚ ዓመት ብሉፅ ሓኪም ኖርዝ ካሮላይና ዶ\/ር ኣረጋይ ግርማይ","content":"ዶ\/ር ኣረጋይ ግርማይ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ክፍለ ግዝኣት North Carolina ናይዚ ንዛዝሞ ዘለና ናይ ኣውሮፓዊያን ዓመተ 2019 ብሉፅ ሓኪም ብምዃን ተዓዋቲ ሽልማት ዋንጫ ኮይኖም ኣለው። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉዳትን ዶ\/ር ኣረጋይ 4,000 ኣባላት ካብ ዝሓዘ ናይ North Carolina ኣካዳሚ ሓካይም ስድራ \/North Caroline Academy of Family Physicians\/ ብሰለስተ መሰረታዊ መዐቀኒታት ክንክን ሰብ ሙያ ጥዕና ነዚ ሽልማት ተሓሪዮም ኣለው። ‘’ርህራሀ ዘለዎ ክንክን\/፣ compassionate care \/፣ኩለመዳይ ክንክንን\/ comprehensive care\/ ኣብ ሙያን ማሕበረሰብን ኣብነታዊ \/Role Model\/ ብምዃንን እየ ተሓሪየ’’ይብሉ ዶ\/ር ኣረጋይ። ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሃፀይ ዮሃንስ መቐለ ምስተምሃሩ ቅድሚ 38 ዓመት ናብዚ ናብ ዩናይትድ ስቴትስ ብምምፃእ ብኬምስትሪ ምስ ተመረቑ ኣብ 1992 ኣ\/ፈ ብሕክምና ተመሪቖም።ብካንሰር ጫፍ ማህፀን ካንሰን \/Cervical Cancer\/ ብHIV\/AIDSን ስፔሻላይዝ ከምዝገበሩ ይገልፁ። ኣብ North Carolina ኣብ ዝርከብ ግልጋሎት ጥዕና ስድራ ጋስተን\/ Gaston Family Health Services \/ ን22 ዓመታት ሰሪሖምን ኣብ ምስራሕ ይርከቡን።ኢንሹራን ንዘይብሎምን ትሑት መነባብሮ ንዘለዎምን ሰባት ምክንኻን ከምዘዕግቦም ይገልፁ። ዶ\/ር ኣረጋይ ግርማይ ካብቶም ፍሉጣት ሽዱሽተ ዓለምለኸ ጉያ ማራቶን ኣብ ሓሙሽቲኦም ኣብ ማራቶናት ቦስተን፣ቺካጎ፣ኒው ዮርክ፣በርሊንን ለንደንን ሓዊሱ ኣብ 65 ማራቶናት ከምዝተሳተፉን ኣብታ ዝተረፈት ሻድሸይቲ ናይ ቶክዮ ማራቶን ንምስታፍ ተስፋ ከምዘለዎምን ገሊፆም። ምሉእ ትሕዝቱኡ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/best-physician-of-the-year-2019-dr-aregai-girmay\/5212750.html"} {"headline":"ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ውድድር ሴካፋ ካልኣይ ደረጃ ብምርካብ ተዓዋቲት ብሩር መዳልያ ኮይና’ላ","content":"ኣብ ዩጋንዳ ክካየድ ኣብ ዝቐነየ ውድድር ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ ማለት ሴካፋ 2019 ክትሳተፍ ዝቐነየት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዋንጫ ግጥም ብሃገራዊት ጋንታ ኡጋንዳ ተረቲዓ ካልኣይቲ ብምውጻእ ብሩር መዳልያ ተሸሊማ። ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ንናይ 2017 ሻምፕዮን ዝኾነት ኬንያ 4-1 ዘፋነወት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሎሚ ኣንጻር ኣአንጋዲትን ተሳታፊት ዋንጫ ኣፍሪቃ 2019 ዝኾነትን ዩጋንዳ ንዋንጫ ገጢማ 3-0 ተረቲዓ’ላ። በዚ መሰረት ኣኣንጋዲት ጋንታ ኡጋንዳ ዋንጫ ክትዓትር ከላ፡ ኤርትራ ካልኣይቲ ብምውጻእ ብሩር፡ ኬንያ ድማ ሳልሳይቲ ብምውጻእ ነሓስ ተሸሊመን ኣለዋ። ኤርትራ ኣብ ውድድር ሴካፋ ብሩር ክትሽለም እዚ ናይ ፈለማኣ ብምዃኑ ኣብ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ሓድሽ ምዕራፍ ሰኒዳ ኣላ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%89%A3%E1%8B%AD-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8C%8B%E1%8A%95%E1%89%B3-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%8B%B5%E1%88%AD-%E1%88%B4%E1%8A%AB%E1%8D%8B-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A3%E1%8B%AD-%E1%8B%B0%E1%88%A8%E1%8C%83-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%8B%E1%89%B2%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%A9%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%8B%B3%E1%88%8D%E1%8B%AB-%E1%8A%AE%E1%8B%AD%E1%8A%93-%E1%88%8B\/5212394.html"} {"headline":"ፓርቲ ፍትሓዊ ዲሞክራሲ ህዝብታት ዓፋር ምስ መድረኽ ጥምረት ምፍጣሩ ኣፍሊጡ","content":"ፓርቲ ፍትሓዊ ዲሞክራሲ ህዝብታት ዓፋር ምስ ፓርቲ ፈደራላዊ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ሓድነት መድረኽ ጥምረት ፈጢረ ክብል ሎሚ ረቡዕ ኣፍሊጡ። እቲ ፓርቲ ነቲ ስምምዕ ሎሚ ከምዝፈረመ እውን ተገሊፁ’ሎ። ኣቦ መንበር መድረኽ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና መድረኽ ሸሞንተ ውድባት አባል ጌሩ ዝተመስረት ምንባሩ ብምግላጽ ነቲ ፓርቲ ሓዲጎም ዝወጹ ውድባት ስለዘለው ክሳብ ሎሚ ኣርባዕተ ፓርቲታት ሒዙ ክንቀሳቀስ ከምዝጸንሓ ገሊጾም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%93%E1%8B%8A-%E1%8B%B2%E1%88%9E%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%88%B2-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%8A%BD-%E1%8C%A5%E1%88%9D%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%8C%A3%E1%88%A9-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5211236.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ክሰግሩ ዝፈተኑ 1000 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎምም ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ወሎ ኣቢሎም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ክሰግሩ ዝፈተኑ ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምውዓሎምን ናብ ዝመፅሉ ከባቢታት ክምለሱ ከምዝተገብረ ናይ ሰራሕተኛን ማሕበራዊን ጉዳያት እቲ ዞባ ኣፍሊጡ። ኣብቶም ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ንዝነበሩ ምንቅስቓሳት ብምጥቓስ ዝገለፀ እቲ ዞባ እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተው ሰባት ካብዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝመፁ መናእሰይ ምኳኖም’ውን ተሓቢሩ’ሎ። ዘይሕጋዊ ምስጋር ሰባት ንምክልኻል ፃዕርታት እንተተገበረ እውን እቲ ምዝውዋር ሰባት ካብ እዋን ናብ እዋን ይጋደድ ምህላው ተግሊጹ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%88%8E-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%95%E1%8C%8B%E1%8B%8A-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%8C%8B%E1%89%A5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%B8%E1%88%8B%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%89%95-%E1%8A%AD%E1%88%B0%E1%8C%8D%E1%88%A9-%E1%8B%9D%E1%8D%88%E1%89%B0%E1%8A%91-1000-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8E%E1%88%9D%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5211151.html"} {"headline":"ኣብ ሰሜን ጎንደር ካብ ሱዳን ዝሰገረ ዘይ-ሕጋዊ ኣጽዋራት ኣብ ቁጽጽር ከምዘውዓለ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ","content":"ምኽትል ኮማንደር ሰላምን ጸጥታትን ክልል ኣምሓራ መንገሻ ኣውራሪስ ንቪኦኤ ክገልጽ ከሎ፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ወረዳ ኣርማጭሆ፡250 ሸጓጉጥን፡ 32 ክላሽን ልዕሊ 6ተ ሺሕ ጠያይትን ከም ዝተታሕዘ ሓቢሩ`ሎ። እቲ ተጠርጣሪን መኪንኡን ከም ዝሃደሙን ፖሊስ ንምሓዞም ምክትታት ይገብር ከምዘሎን`ውን ገሊጹ`ሎ ። “ናብ ኽልልና ዝኣትዉ ዘይሕጋዊ ኣጽዋራት መበገሲኦም ካብ ሱዳን`ዩ ዝብል እምነት ኣለና”። ድሕሪ ደጊም፡ ኣብ ንግዲ ኣጽዋር ዝተዋፈሩ ሰባት ክብድ ዝበለ ንዕኦምን ነቲ ሕብረተሰብን ትምህርቲ ክኸውን ዝኽእል መቕጻዕቲ ክረኽቡ ከምዝግባእ`ውን ኮማንደር መንገሻ ኣውራሪስ ኣፍሊጡ`ሎ። ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%B0%E1%8C%88%E1%88%A8-%E1%8B%98%E1%8B%AD-%E1%88%95%E1%8C%8B%E1%8B%8A-%E1%8A%A3%E1%8C%BD%E1%8B%8B%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%8C%BD%E1%88%AD-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%8D%E1%8B%93%E1%88%88-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8C%BD%E1%88%95%E1%8D%88%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5209812.html"} {"headline":"ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንኬንያ ብምስዓር ንግጥም ፍጻመ ሴካፋ ሓሊፋ","content":"ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ደቂ ተባዕትዮ(ዓበይቲ): ሎሚ ቀትሪ: ኣንጻር'ታ ኣብ 2017 ሻምፕዮን ሴካፋ ዝኾነት ሃገራዊት ጋንታ ኬንያ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ: 4-1 ተዓዊታ ንዋንጫ ሓሊፋ`ላ። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ብኣቤል ሰለሙን ፡ ብሮቤል ኪዳነ ፡ ብሚካኤል ሃብተ ሰለስተ ሸቶታት ዘመዝገበት ክትከውን ከላ፡ ሓንቲ ድማ ኦስካር ዋማልዋ ዝተባህለ ናይ ኬንያ ተጻዋታይ ናብ ጋንትኡ ሸቶ ብምእታው፡ ኤርትራ ብ4-1 ስዒራ ናብ ፍጻመ ክትሓልፍ ክኢላ`ላ። No media source currently available ብፍላይ ተኸላኻላይ ጋንታ ኤርትራ ኣቤል ሰለሙን ካብ ከባቢ ፍርቂ ሜዳ ቀሊዑ ዘመዝገባ ጎል ንብዙሓት ከም ዝገረመት ነቲ ጸወታ ዝተዓዘበ ጋዜጠኛ ስፖርት ኣማኑኤል ኣልኣዛር ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ሓቢሩ`ሎ። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኤርትራ ሓሙስ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኡጋንዳ ንዋንጫ መን ጨበጠ ክትገጥም ኢያ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8C%8B%E1%8A%95%E1%89%B3-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%95-%E1%8A%AC%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8B%93%E1%88%AD-%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%8C%A5%E1%88%9D-%E1%8D%8D%E1%8C%BB%E1%88%98-%E1%88%B4%E1%8A%AB%E1%8D%8B-%E1%88%93%E1%88%8A%E1%8D%8B\/5209420.html"} {"headline":"ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴምህት) ቅሂሙ ምስ ህወሓት ክሰርሕ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ","content":"ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴምህት) ንዝሓለፉ ን18 ዓመታት መሰረቱ ኣብ ኤርትራ ብምግባር ኣንፃር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕጥቃዊ ቃልሲ የካይድ ዝነበረ ኮይኑ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈጠረ ለውጢ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰላማዊ መንገዲ ንምቅላስ ብዝብል ናብ ኢትዮጵያ ምእታዉ ይዝከር:: ነዚ ስዒቡ ደምህት ንገዛእ ርእሱ ኣቅሂሙ ምስ ህውሓት ክሰርሕ ምውሳኑ ኣፍሊጡ’ሎ።መንግስቲ ክልል ትግራይ ንውሳነ ዴምህት ንኢዱ’ሎ:: ንኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኣይተ መኮነን ተስፋይ ንምንታይ ምስ ህወሓት ኮይኖም ክሰርሑ ከምዝወሰኑ፡ ብቐፃሊ ብከመይ ሓቢሮም ከምዝሰርሑ፡ ዕጫ ኣባላቱ እንታይ እዩ ዝብሉን ካልኦት ሕቶታት ብምልዓል ወኪልና ካብ ከተማ መቐለ ቃለመጠይቅ ኣካይዱ ኣሎ:: ምላሽ መንግስቲ ክልል ትግራይ እውን ተጠቓሊሉ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B4%E1%88%9E%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%88%B2%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%B5%E1%89%93%E1%88%B5-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-(%E1%8B%B4%E1%88%9D%E1%88%85%E1%89%B5)-%E1%89%85%E1%88%82%E1%88%99-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%90-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5208167.html"} {"headline":"ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወትሉ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩላ","content":"ብሚንስተር ባህልን ቱሪዝምን ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ብዙነሽ መሰረት ዝተመርሐን ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ሎሚ 16 ታሕሳስ 2019 ኣጋ ምሸት ኣስመራ ኣትዩ`ሎ። እቲ ጉጅለ ባህሊ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ረድዋን ሑሴን፡ ላዕለዎት ሰበ ሰልጣን መንግስቲ ኤርትራን ገዳይምን መንእሰያትን ስነ-ጥበበኛታትን ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮሙሎም ኣለዉ። ልዕሊ 50 ኣባላት ዝሓዘት ጉጅለ ሎሚ ዝኣተወት ክትከውን ከላ ካልእ ከባቢ 15 ኣባላት ዝሓዘት ጉጅለ ባህሊ ድማ ዝመጽእ ሰሙን ከምትኣትው ተፈሊጡ’ሎ። ጉጂለ ባህሊ ኢትዮጵያ ኣብ ከረን ምጽዋዕን ኣስመራን ባህላውን ዘመናውን ሙዚቃዊ መሰናድኦታት ከምዘቕርብ ተሓቢሩ`ሎ። ቅድሚ ሎሚ ናይ ኤርትራ ጉጅለ ባህሊ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ፡ ባህርዳር፡ ኣዳማን ሃዋሳን ምርኢታት ከምዘቕረበት ይዝከር። ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%8B%98%E1%89%B5-%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%8A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%89%B5%E1%88%89-%E1%8B%B5%E1%88%99%E1%89%95-%E1%8A%A3%E1%89%80%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%8B-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%8B%AD%E1%88%A9%E1%88%8B\/5208150.html"} {"headline":"ብልፅግና ፓርቲ ኢህወዴግ ዝሰርሖም ሰናይ ተግባራት ክቕፅልን ካብ ጌጋታቱ ድማ ንምእራምን ከምዝሰርሕ ተገሊጹ","content":"ብልፅግና ፓርቲ ኢህወዴግ ዝሰርሖም ሰናይ ተግባራት ክቕፅልን ካብ ጌጋታቱ ድማ ንምእራምን ከምዝሰርሕ ኣባል ኣመራርሓ እቲ ፓርቲ ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ገሊፆም። ሓድሽ ዝተመስረት ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጥሩ ሽግራት ንምብዳህ ዝተፈጥረ ናይ መቃለሲ መድረኽ እዩ ዝበሉ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ላዕለዋይ ኣባል ኣመራርሓ እቲ ፓርቲን ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ፓርቶም ንናይ ትማሊ ብምፍራስ ንፅባሕ ዝሃንፅ ዘይኮነስ ናይ ዝሓለፈ ሰናይ ተግባር ብምቕፃል ጌጋታት ኣሪሙ ዝሳገር እዩ ኢሎም።ንሶም ነዚ ዝበሉ እቲ ፓርቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ደሴ ኣብዘዳለዎ መድረኽ ዘተ እዩ። “ኢህወዴግ ናይዛ ሃገር ቁጠባዊ ለውጢ፣ልምዓት ብተወሳኺ ድማ ይንኣስ ይዕበ ንብዙሕ ዓመታት ሰላም ክቕፅል ዝገበረ ውድብ እዩ።ግን ኢህወዴግ ክንድ’ቲ ፅቡቕ ዝሰርሖ መሰረታዊ ጌጋታት እውን ፈፂሙ እዩ።ናይዚ ፓርቲ ተግባር ኢህወዴግ ዝሰርሖም ሰናይ ተግባራት ምቕፃልን ዘጉደሎም ድማ ንምምላእን እዩ።” ኣቶ ገዱ ብምውሳኽ ኢህወዴግ ንክብሪን መሰልን ዜጋታትን ዝሃቦ ጠመተ ኣዚዩ ዝተሓተ እዩ ኢሎም።ኢህወዴግ ናይ ብሄርን ብሄረሰባትን መሰላት ምምላስ ሽግር የብሉን ግን ሓቃዊ ዝኾነ ናይ ርእሰ ምምሕዳርን መሰል ብሄረሰባትን ክኽበር ዝኽእል መሰል ውልቀሰባት ክኽበር ከሎ እዩ ኢሎም። ኣቶ ገዱ ብምቅጻል ዝተዛብዑ ዛንታታት ኣብ መንጎ ህዝብታት እታ ሃገር ጥርጣረን ግጭታትን ኣስዒቦም እዩ ኢሎም። ፓርቲ ብልፅግና ዝፈላልይ መንድቕ ብምፍራስ ዘራኽብ ድልድል ንምስራሕ እዩ ተመስሪቱ ዝበሉ ኣቶ ገዱ አንዳርጋቸው ብተመሳሳሊ ኣባላት ፓርቲ ብልፅግና ከተማ ደሴ ኣብ ፕሮግራምን ሕገ ደንብን እቲ ፓርቲ ተዛቲዮም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%8D%85%E1%8C%8D%E1%8A%93-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%88%85%E1%8B%88%E1%8B%B4%E1%8C%8D-%E1%8B%9D%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%88%96%E1%88%9D-%E1%88%B0%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%89%95%E1%8D%85%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8C%8C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B1-%E1%8B%B5%E1%88%9B-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%88%AB%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5208130.html"} {"headline":"ዘተ፡ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ዝንቀሳቀሱ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ኣብ አዲስ አበባ ይካየድ'ሎ","content":"ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ዝንቀሳቐሱ ኣባላት ኣመራርሓ ፖለቲካዊ ፓርትታት ኣብተን ክልላት ኣብ ዝርከቡ ዩኒቨርሲታት ዝርኣዩ ግጭታት ብዝምልከት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይዘራረቡ ኣለው።ኣብቲ ልዝብ ፖለቲከኛታትን ምሁራትን ሓባራዊ ክብርታት ህዝቢ ኣብ ምስፋሕ ክሰርሑ ፃውዒት ቀሪቡ’ሎ። ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ዝንቀሳቐሱ ፖለቲካዊ ፓርትታት ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ይረአዩ ንዘለው ግጭታት ንምውጋድን መፍትሒ ንምንዳይን ሎሚ ሶኑይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘተ አካይዶም ኣለው። ኣብ ክንዲ ኣብ ፀገም ኣብ መፍትሒ ጠመተ ብምግባር ንርክባት ህዝቢን ሓቢርካ ናይ ምንባር ክብርታትን ኣበርክሮ ክገብሩ ናይቲ ኣኼባ ናይ ክብሪ ጋሻ ዝኾኑ ኣምባሳደር ጥሩነህ ዜና ፀዊዖም። “ክንድዝኾነ ይኹን ናይ ሓሳብ ኣፈላላያት ይሃልው ብዲሞክራሲያዊ ዝርርብን ብምክኣኣልን፣ሓቢርካ ብምስራሕ፣ብምንባር፣ ምልማዕን ምዕባይን ከምዝክኣል ትምህርቲ ዝውሰደሉ ክኸውን በብከባቢኡን ትካላት ትምህርትን ተመሳሳሊ ልዝባትን ንክቕፅል ዘለኩም ተስማዕነት ተጠቒምኩም ፍቕርን ሓድነትን ህዝቢ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ ምዕባይል ከም እትቕፅልሉ ዘለኒ እምነት እገልፅ።” መኽፈቲ’ቲ አኼባ ንመራኸቢ ብዙሃን ክፉት እንተነበረ እቲ ኣኼባ ግን ዕፁው ከምዝኸውን ተፈሊጡ’ሎ። ንፖለቲካዊ ውድባት ብምውካል ንጋዜጠኛታት መብርሂ ዝሃቡ ኣቦ መንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣቶ ዳውድ ኢብሳን ናይ ኣምሓራ ማሕበራዊ ራእይ ፓርቲ ኣቦ መንበር ኣቶ ስዩም መንገሻን እቲ መድረኽ ፖለቲካዊ ፓርታት ብጥምረትን ብምርድዳእን ንምስራሕ ዕድል ዝህብ’ዩ ኢሎም። ካብ ናይ ህዝብታት ግጭት ዝኾነ ይኹን ዘትርፍ የለን ዝበሉ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ንናይ ሓባር ሰላም ምስራሕ ኣድላዩ እዩ ኢሎም። ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኸበ ኣካያዲ ስራሕ ናይ ኦሮሞ ሚዲያ ኔትወርክን ተንታኒ ፖለቲካን ኣቶ ጀዋር መሓመድ ናይ ኦሮሞን ኣምሓራን ርክብ ኣብ ሓቂ ተመስሪቱ ክሕይል ኣለዎ ኢሉ’ሎ። ከም ኣቶ ሌንጮ ለታ፣ዶ\/ር ዲማ ነገዎ፣ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁንን ዝአመሰሉ ፍሉጣት ፖለቲከኛታትን ካልኦት ኣብቲ ንኽልተ መዓልታት ዝካየድ ኣኼባ ተረኺቦም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%AD%E1%88%93-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%8A%95%E1%89%80%E1%88%B3%E1%89%90%E1%88%B1-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%8B%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8D\/5208110.html"} {"headline":"'ዓወት ሽልማት ኖበል ቀ\/ሚ ነታ ጥንታዊት ሃገር ኢትዮጵያ ንዓለም ንምፍላጥ አጋጣሚ ኮይኑ'ሎ' ፕረ .ሳህለወርቅ ዘውዴ","content":"ንቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ዝተዋህበ ሽልማት ኖበል ኣብ ኢትዮጵያን ከባቢኣን ንዘለዋ ሃገራት ተስፋ ዝሃበ’ዩ ክብላ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ ተዛሪበን። እዚ ሽልማት ነታ ጥንታዊት ሃገር ኢትዮጵያ ንዓለም ንምፍላጥ አጋጣሚ ኮይኑ'ሎ ኢለን። እተን ፕረዚደንት ነዚ ዝተዛረባ ንቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ድራር እንግዶት’ዩ። “ንዓና ኢትዮጵያዊያን ኣኹሪዖምና’ዮም ርእስና ኣቕኒዕና ኢና ኢትዮጵያ ክትህልው ጌርኹም ኢኹም መላእ ዓለም ብዛዕባ ኢትዮጵያ ትበሃል ዓባይን ጥንታዊትን ሃገር ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ክሰምዕ ክኢሉ’ዩ ።” ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%88%BD%E1%88%8D%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%8A%96%E1%89%A0%E1%88%8D-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%90%E1%89%B3-%E1%8C%A5%E1%8A%95%E1%89%B3%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%88%8B%E1%8C%A5-%E1%8A%A0%E1%8C%8B%E1%8C%A3%E1%88%9A-%E1%8A%AE%E1%8B%AD%E1%8A%91-%E1%88%8E-%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%88%B3%E1%88%85%E1%88%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%85-%E1%8B%98%E1%8B%8D%E1%8B%B4\/5205394.html"} {"headline":"መንግስቲ ክልል ትግራይ ዋልታ ዘውፀኦ ዜና ኮነ ተባሂሉ ዝተሰርሐን : ብሕጊ ከምዝከታተሎን ገሊፁ","content":"ዋልታ ኢንፎርሜሽን ማእከል ዘውፀኦ ዜና ኮነ ተባሂሉ ዝተሰርሐን : ብሕጊ ከምዝከታተሎን መንግስቲ ክልል ትግራይ ገሊፁ:: ምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ህይወቶም ሓሊፉ ኢሉ ዋልታ ኢንፎርሜሽን ማእከል ብፌስቡክ ገፁ ዘውፀኦ ዜና ሓሶትን ስኑዕ ዝኾነን ዜና እዩ ክብል መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣፍሊጡ:: ዋልታ ብወገኑ እቲ ዝተፈነወ ዜና ካብ ኣፍልጦ እቲ ትካል ወጻኢዝቐረበ ምኻኑ ብምግላፅ ይቕሬታ ሓቲቱ ኣሎ:: ምሉ እ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5205312.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ኣብ ዙሪያ ሰብኣዊ መሰላት ዝሰርሑ ትካላትን ወልቀሰባትን ሕብረት ፈጢሮም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዙሪያ ሰብኣዊ መሰላት ዝሰርሑ ትካላትን ወልቀሰባትን ሕብረት ፈጢሮም። ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ደቂ ኣንስትዮ ሰብ ሞያ ሕጊ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝሰርሑ ኢትዮጵያዊን ትካላትን ሽዱሽተ ሰብ ሞያ ሕግን ዝሓቖፈ “ሕብረት ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ’’ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ጥምረት ሎሚ ዓርቢ ወግዓዊ ኮይኑ’ሎ። ንተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብኩለ መዳይ ዝሓሸ ኩነታት ንምፍጣር እዚ ሕብረት ወግዓዊ ምዃኑ ብራስልስ ናይ ዝርከብ ዋና ዳይረክተር “ምትእኽኻብ ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያን’’ ናይዚ ዝተፈጥረ ሕብረት ዋና ኣተሓባባሪን ኣቶ ያሬድ ሃይለማሪያም ገሊፆም። ኣቶ ያሬድ ቅድም ክብል ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ይፍፀሙ ዝነበሩ መግሃስቲ መሰላት ሎሚ ብጉጅለታትን ወልቀሰባትን ይፍፀሙ ምህላዎም ዘፍርሕ እዩ ኢሎም ። “ብደረጃ መንግስቲ ግንዛበ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ምዕባይን ናይ ምትብባዕን ፅቡቕ ምልክታት ይርኣዩ ኣለው።ግን መንግስታዊ ዘይኮኑን ብበደርጅኡ ዝተወደቡን ዝተፈላለዩ ኣካላት ቅድሚ ሎሚ ብመንግስቲ ይፍፀሙ ካብ ዝነበሩ መግሃስቲ መሰላት ኣዚዩ ብዝኸፍአ ደረጃ መግሃስቲ መሰላት ይፍፅሙ እዮም ዘለው። ኣቶ ያሬድ ወሲኾም መንግስቲ ሰብኣዊ መሰላት ከይጥሓስ ሓለዋ ናይ ምግባር ግቡእ ኣይፍፅምን ዘሎ እውን ኢሎም ። “መንግስቲ ሰብኣዊ መሰላት ዘይምሕላውን እዞም ብጉጅለ ዝተወደቡ ሰባት ከምድላዮም ሕጊ እናጠሓሱ ንዜጋታት ኣብ ሓደጋን ስግኣትን ክወድቑ ምግባሮምን ተደሚሩ ክምሓይሽ እዩ ኢልና ተስፋ ኣብ ዝሰነቕናሉ ግዜ ናብ ናይ መወዳእታ ሕማቕ ደረጃ ወሪዱ’ሎ። “ ናይ መንግስቲ ሕጊ ናይ ምኽባር ሓላፍነትት ንድርድር ዝቐርብ ኣይኮነን ናይ ስቪክ ማሕበረሰባትን ትካላት ኣብያተ ትምህርትን ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ኣስተምሃሮ ክህባ ኣለወን ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%99%E1%88%AA%E1%8B%AB-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%88%91-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%89%80%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AA%E1%89%B1\/5205309.html"} {"headline":"ርእይቶ ነበርቲ መቐለ ኣብ ዓወት ሽልማት ኖበል ሰላም 2019","content":"ንዓወት ሽልማት ኖቤል ሰላም 2019 ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ስዒቡ ነበርቲ መቐለ ርእይቶኦም ንድምጺ ኣሜሪካ ሂቦም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%88%BD%E1%88%8D%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%8A%96%E1%89%A0%E1%88%8D-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-2019\/5203673.html"} {"headline":"ርእይቶ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ምቕባል ዕውት ኖበል ሰላም ቀ\/ሚ አብይ አሕመድ","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ሽልማት ኖበል ሰላም ኣብ ኖርወይ ተቐቢሎም ናብ ሃገሮም ኣብ ዘተመልስሉ ካብ ወጋሕታ ጀሚሩ አባላት ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ተቀቢሎምዎም። ኣብ ከተማ አዲስ አበባ፡ባህርዳር፡ሃዋሳን ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት በበይኖም መድረኻት ብምድላዎም ዜጋታት ሓጎሶም ገሊጾም ኣለው። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ናብ አዲስ አበባ ኣብ ዝአተውሉ ህዝቢ ብጸልማት’ዩ ወጺኡ’ዩ ዝተቀበሎም ዝበለ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ አዲስ አበባ ሙኽታር ጀማል ካብ ቦሌ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ክሳብ ቤተ መንግስቲ’ቶም ቀዳማይ ሚንስትር ናይ ዝተሰለፈ ህዝቢ ሓጎስን ፈንጠዝያን ይስምዕ ኔሩ ይብል። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%8B%95%E1%8B%8D%E1%89%B5-%E1%8A%96%E1%89%A0%E1%88%8D-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A0%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A0%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5\/5203660.html"} {"headline":"ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ ኸሎ ድሙቕ ኣቀባብላ ዝተጸበዮ ቀ\/ሚ ኣቢይ፡ነቲ ሽልማት ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ብምዃን ከምዝጽንብሎ ተዛሪቡ","content":"ተዓዋቲ ሽልማት ኖብል ሰላም 2019 ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ሽልማቶም ተቐቢሎም አዲስ አበባ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ድሙቕ ኣቀባብላ ተጌርሎም ኣሎ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ አዲስ አበባ ከባቢኣን ብናይ ሙዚቃ ባንድ ዝተዓጀበ ምርኢት ተቐቢልዎሞ። ኣብ መዓርፎ ነበርቲ ምስ በጽሑ ንጋዜጠኛታት ሕጽር ዝበለ መግለጺ ዝሃቡ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ እቲ ሽልማት ኖበል ንሃገሮምን ነቲ ዞባን ዘለዎ ትርጉም ተዛሪቦም። እቲ ዝተረኽበ ሽልማት ካብ ካልኦት ዓወታት’ውን ንክድገም ክንሰርሕ ይግባእ ዝበሉ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ እቲ ዝተረኽበ ሽልማት ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብምዃን ከምዝጽንብልዎ ተዛሪቦም ኣለው። እዚ ምስሊ ሃገሮም ኣብ ዓለምለኸ መድረኽ ብዝለዓለ ደረጃ ክጽዋዕ ዝኽእል ምዃኑ ዝተዛረቡ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ፡እቲ ሽልማት ክውን ንክኸውን ብዙሓት ኣዴታት ተጨኒቐናሉ’የን ኢሉ። ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድድኻታት እንተኾና`ውን ንኻልኦት ክንረድእ እንኽእል ሃገር ኢና ድሕሪ ምባል ንህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣመስጊኖም ፡። “ሎሚ ንኢትዮጵያ ኤርትራን ከምኡ’ውን ንምብራቕ ኣፍሪቃ ብደረጃ ዓለም ልዑል ትኹረትን ስምን ዝረኸብናሉ ዕለት ክኸውን ከሎ ፡ንዓኻትኩም ንኹልኻትኩም ንምውካል ኣብቲ ቦታ ተረኺበ ንኢትዮጵያ ንኤርትራን ንምብራቕ ኣፍሪቃን ዘለዎ አጠማምታ ቕድሚ ሎሚ ካብ ዝነበረ ብዝተፈለየ መንገዲ ትኹረት ንክረክብን ኣብዘን ሃገራት ታሪኽ ክስራሕ ከምዝኽእልን ንኽሓስቡ ናይ ምዝኽኻር ስራሕ ንምስራሕ ዕድል ረኺበ’ለኹ።” ኢትዮጵያ ብዙሓት ጀጋኑ ዘለውዋ ሃገር`ያ፡ ተደጋጊፍና ኣብ ዓወት እንተበጺሕና ትሩፋቱ ንኹሉ ዝባጻሕ ምዃኑ ካብ`ዚ ናይ`ዚ ሽልማት`ዚ ምምሃር ይክኣል`ዩ ኢሉ። “ብውሁድ ቅልጽም ብዝተሰማምዑ መንነት ሃገርና ካብ ዘላትሉ ኩነታት ናብ ብልጽግና ንኽትሰጋገር ብሓባር ንግሆን ምሸትን ተጊህና ክንሰርሕ፡ ኹናት፡ ድኽነት፡ ጉስቁልና፡ ኸምኡ’ውን ናይ ግጭት ታሪኻትና ንኸብቅዕን፡ ናይ ምትሕብባር፡ ናይ ምስምማዕን ኢሂን-ምሂን ምብህሃልን ልምዲ ነማዕብል።ብሓባር ኾይና ሃገር ናይ ምቕያርን ንሕና’ውን ኸም ካልኦት ክንረድእ ንኽእል ሃገር ንክንኽውንን፡ ነዚ አጋጣሚ ክንጥቀመሉ ብልዑል ትሕትና እሓተኹም ኣለኹ።” እቲ ዝተረኽበ ሽልማት ኣብ ካልኦት ዓወታት’ውን ንክድገም ክንሰርሕ ይግባእ ዝበሉ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ እቲ ዝተረኽበ ሽልማት ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብምዃን ከምዝጽንብሎ ተዛሪቡ`ሎ። “ንህዝቢ ኢትዮጵያን ንህዝቢ ኤርትራን ከመስግን እደልይ።ንፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብፍሉይ መንገዲ ከመስግኖም እደልይ። ኣብ ቀረባ ከምንራኽብን ብሓባር ክንጽንብልን ተስፋ እገብር። እንቋዕ ደስ በለኹም፡ እንቋዕ ደስ በለና።” ተሸላሚ ኖቤል ሰላም 2019፡ ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ዝተረኽበ ሽልማት ኖቤል ሰላም፡ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብስምዒት ፍቕሪ ሃገር፡ ሓቢርካ ናይ ምናብር ምንፈስ ብምሕያል፡ ሃገሩ ንምዕባይ ክጥቀመሉ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%AD%E1%8A%A3%E1%89%B1-%E1%8A%B8%E1%88%8E-%E1%8B%B5%E1%88%99%E1%89%95-%E1%8A%A3%E1%89%80%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%8B-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%B8%E1%89%A0%E1%8B%AE-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A2%E1%8B%AD-%E1%8A%90%E1%89%B2-%E1%88%BD%E1%88%8D%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8C%BD%E1%8A%95%E1%89%A5%E1%88%8E-%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%88%AA%E1%89%A1\/5203587.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ጀግና መደበር ቴሌቭን ሲኤንኤን ኢትዮጵያዊት ፍረወይኒ መብራህቱ","content":"መደበር ቴሌቭዥን ሲኤንኤን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ንዓለም ብዘበርከትዎ ፍሉይ ስርሓት ንዝተሓረዩ 10 ሰባት ሽልማት ይህብ። ብተወሳኺ ካብዞም 10 ሰባት ዝበዝሓ ድምጺ ንዝረኸበ ውልቀሰብ ናይቲ ዓመት ጀግና መደበር ቴሌቭዥን ሲኤንኤን ብምኳን ሽልማት ይረክብ። ኣብቲ ብሶኑይ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ምዕዳል ሽልማት ኢትዮጵያዊት ፍረወይኒ መብራህቱ ጅግና መደበር ቴሌቭዥን ሲኤንኤን ዓመተ 2019 ብምኳን 100,000 ሽሕ ዶላር ተሸሊማ’ላ። No media source currently available ፍረወይኒ ኣብ ዝሓለፈ 13 ዓመታት ዝሕጸብ መንዲል ንጽሕና ዘፍርይ ንትርፊ ዘይሰርሕ ትካል ብምምስራት’ያ ነዚ ሽልማት በቒዓ። ኣቐዲምና ምስ ፈረወይኒ ብዛዕባ ትካላን ስርሓቱን ቃለ መጠይቕ ምክያድና ይዝከር። ንሎሚ ብዛዕባ’ቲ ሽልማት ኣዘራሪብናያ ኣለና። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8C%80%E1%8C%8D%E1%8A%93-%E1%88%98%E1%8B%B0%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%89%B4%E1%88%8C%E1%89%AD%E1%8A%95-%E1%88%B2-%E1%8A%A4%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%A8%E1%8B%88%E1%8B%AD%E1%8A%92-%E1%88%98%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%88%85%E1%89%B1\/5202181.html"} {"headline":"ንተሸላሚ ኖበል ሰላም ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንምቕባል ምድላው ይግበር ከምዘሎ ተፈሊጡ: ኣብ ኦስሎ ድማ ስነ ስርዓት ምውላዕ ሽምዓ ተካይዱ","content":"ንተሸላሚ ኖበል ሰላም ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ፅባሕ ሓሙስ ንምቕባል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓብይ ምድላው ይግበር ከምዘሎ ተፈሊጡ።ኢትዮጵያዊያን ነበርቲ ኦስሎን ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያን እቲ ሽልማት ንኢትዮጵያን ኢትዮጵያዊያንን ዘለዎ ትርጉም ዝለዓለ እዩ ክብሉ ርእይቶኦም ሂቦም ኣለው። ወሃቢት ቃል ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወ\/ት ፌቨን ተሾመ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብኦ መግለፂ ንዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ “ኣቀባብላ ጅግና”ክግብረሎም እዩ ኢለን። “ቀዳማይ ሚንስትር ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ቦሌ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ክበፅሑ ከለው ናይ ጅግናን ክብርን ኣቀባብላ ንምግባር ምምሕዳር ከተማ አዲስ አበባ ምድላው ገይሩ’ሎ።ዝተፈላለዩ ፍሉጣት ሰባት፣ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፣ሰብ ሃብቲን ዲፕሎማትን ንዕኦም ንምቕባል ተዳልዮ ኣለው።” No media source currently available ወ\/ት ፌቨን ብተወሳኺ እቲ ሽልማት ንኩሎም ፈተውቲ ሰላም ኢትዮጵያዊያን ዝተወሃበ ሽልማት እዩ ኢለን ከምዝኣምናን ከም ሃገር ዝተረኸበ ክብርን እዩ እውን ኢለን። “ምስሊ ኣብ ምህናፅ ዝለዓለ ኣበርኽቶ ዘለዎ ስለዝኾነ ዓለም ገፁ ናብና ኣዚሩ ክርእይ ዝለዓለ ዕድል ዝፈጠረ ኣጋጣሚ ምስ ምዃኑ፣ናብ ከተማና ዋሕዚ ቱሪዝም ንምውሳኽ ኣማራፂታት ወፍሪ ንምርካብ ዕድል ዝህበና ምስ ምዃኑ እዚ ሽልማት ንዓና ዓብዪ ትርጉም ከምዘለዎ ኢና ንኣምን።” እቲ ስነርስዓት ኣቀባብላ ፅባሕ ንጉሆ ካብ ቦሌ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ክሳብ ሃገራዊ ቤተ መንግስቲ ከምዝካየድን እቲ ምድላው እውን ብምትሕብባር ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትርን ከምዝካየድ ገሊፀን። ነበርቲ፣መናእሰይን ማርሽ ባንድታትን ከምኡ እውን ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ንኣቀባብል ምድላው ይገብሩ ምህላዎም ወ\/ት ፌቨን ገሊፀን። ኣብቲ ስነርዓት ኣቀባብላ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ክርከቡ ምኽትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ታከለ ኡማ ብቲዊተር ፀዊዖም ኣለው። ብኻልእ ዜና ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ሽልማቶም ምስተቐበሉ ኣብ ከተማ ኦስሎ ኣብዝርከብ ግራንድ ሆቴልን ከባቢኡን ዝተርኣየ ልሙድ ፍፃመ እንተኾነ እውን ናይ ትማሊ ግን ዝተፈለየን ዝደመቐን፣ኖርዌጃዊያንን ከይተረፉ ንኢትዮጵያ ትኹረት ዝሃቡሉን ከምዝነበረ ኣብኡ ዝነብሩን ኣብ ስነስርዓት እቲ ሽልማትን ዝተረኸቡን ክልተ ኢትዮጵያዊያን ገሊፆም። ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ኣብ ናይ ኖርዌይ ክርስቲያን ካውንስል ኣማኻሪ ጉዳያት ስደትን ፍልሰተኛታትን ኣቶ ለማ ደስታን ኣብ ኖርዌይ ኣቦ መንበር ሓባራዊ መድረኽ ኢትዮጵያዊያን ኣቶ ጌታቸው በቀለን ንተሸላሚ ኖቤል ሰላም ንምኽባርን ተሸለምቲ ንዝገብሩዎ ኣበርክቶ ድጋፍ ንምሃብን ኣብ ዝካየድ ዓመታዊ ስነስርዓት እዚ ናይ ሎሚ ዝደመቐን ፍሉይ ትርጉም ዘለዎን እዩ ኢሎም። ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ኣብ ማእከል ጎደነታት ኦስሎ ብሙዚቃን ብካልኦት ናይ መነቓቕሒ መደረታትን ተዓጂቡ ተሸላሚ ናብ ዝዓርፍሉ ሆቴል ብምትእኽካብ ናይ ሽምዓ ምውላዕ ስነ ስሮኣት ከምዘካየዱን ነዚ ዘዳለዎ እውን ናይ ኖርዌይ ናይ ሰላም ካውንስል ምዃኑን ኣቶ ለማ ገሊፆም። ቅድሚ ሎሚ ንዝነበሩ ሽልማታት ከምዝተዓዘቡ ዝገለፁ ኣቶ ጌታቸው በቀለ እቲ ናይ ትማሊ ኣብ ኢትዮጵያዊያን ዝተፈለየ ድባብ ፈጢሩሎ ኢሎም። ናይ ኢትዮጵያዊን ኤርትራን ባንዴራታት ሒዞም ቀዳማይ ሚንስትር ናብ ዝዓረፍሉ ግራንድ ሆቴል ዝተጉዓዙ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ኢትዮጵያዊያን ኤርትራዊያንን ኖርዌጃዊያንን ዝርከቡዎም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ምንባሮም ገሊጾም። ኣቶ ለማብተወሳኺ ከምዚ ኢሎም። “እቲ ናይ ትማሊ ንብዙሕ እዋን ክናፍቖን ክንምነዮን ዝፀናሕና፣ኣብ መዋእልና ክኸውንዶ ይኸውን እንብሎ ብልሙድ ኣፅዋውዓ ናይ ኢትዮጵያ ትንሳኤ ተባሂሉ ዝንገር ብዘይእመን መልክዑ ትንሳኤ ኢትዮጵያ ዝተመስከረሉን ዝተዘከረሉን መድረኽ እዩ ነይሩ።ሃገርና ክብራን ሽማን ልዒሉ ክርኣይ ገይሩ’ሎ።” ኣቶ ለማ ነዚ ኹሉ ምኽንያት ዝኾኑ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ዓለም ዝግባእ ክብደትን ትኹረትን ክርእዮ ገይሩ ‘ሎ፤ታሪኽ ዝተሰርሓሉ ዕለት እዩ ኢሎም ። እዚ ናይ ትማሊ ስነ ስርዓት ሽልማት ዝሃቦም ትርጉም ክገልፁ ዝተሓተቱ ኣቶ ጌታቸው በቀለ ብወገኖም “ትማሊ ብሓቂ ኢትዮጵያ ኣብዚ ኣብ ዘመናዊ ዓለም ምናልባት እውን ኣብቶም ዝሓለፉ 50\/60 ዓመታት ውሽጢ ካብ ዘሕለፈቶምን ኣብ ዓለም ተፅዕኖ ካብ ዝፈጠረትሎምን ዕለታት ክጥቀስ ዝኽእል እዩ”። ኣቶ ደረጀ ብተወሳኺ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ተሸላሚ ምዃኖም ኣብ ኢትዮጵያ ብትሩዚም፣ብኢንቨትመንት፣ተስማዕነትን ዲፕሎማስን ኩሎም ዓብይ ትርጉም ክህልዎ እዩ ኢሎም ። ኣብቲ ስነስርዓት ተቓውሞ ዘስምዑ ሒደት ሰባት ምንባሮም ብሓሳብ ምፍላዮም ሓዱሽ ነገር ኣይኮነን ዝበሉ ክልቲኦም ወሃብቲ ርእይቶ እቲ ቀንዲ ምስ ኤርትራ ሰላም ብምፍጣሮም ዝተውሃበ ሽልማት ብምዃኑ እቲ ዕለት ዓብዪ ነይሩ ኢሎም። ብዝተኣሳሰረ ዜና ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ሽልማት ስላም ምቕባሎም ንኢትዮጵያን ኢትዮጵያዊያንን ዘለዎ ትርጉም ዝለዓለ እዩ ኢሎም ንሪፖርተራት ድምጺ ኣሜሪካ ርእይቶታቶም ዝሃቡ ነበርቲ ከተማ ድሬዳዋ፣ሃዋሳ፣ኣዳማን ኣምቦን ሓቢሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%88%B8%E1%88%8B%E1%88%9A-%E1%8A%96%E1%89%A0%E1%88%8D-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8B%AD%E1%8C%8D%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8A%E1%8C%A1-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A6%E1%88%B5%E1%88%8E-%E1%8B%B5%E1%88%9B-%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%8B%E1%8B%95-%E1%88%BD%E1%88%9D%E1%8B%93-%E1%89%B0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/5202145.html"} {"headline":"ርእይቶ ኤርትራዊያን ኣብ ሽልማት ኖበል 2019","content":"ኣብ ዙርያ’ቲ ሎሚ ኣብ ከተማ ኦስሎ ኖርወይ ንቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዝተዋህበ ሽልማት ሰላም ኖብል ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ክፈጥር ዝብል ረቛሒ ጎዶሎ’ዩ ብምባል ኤርትራዊያን ትማሊ ኣብ ኦስሎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዶም ኔሮም። ንሶም ምክንያት ተቓውሞኦም ንዝበልዎም ነጥብታት ንኮሚተ ሽልማት ሰላም ኖበልን ንቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድን ንምብጻሕ ኣብቲ ቦታ ምርካቦም ገሊጾም አለው። ብካልእ ወገን እቲ ሽልማት ሰላም ኮነ እቲ ምፍጣር ሰላም ዝብል ረቓሒ ይግባእ’ዩ ዝብሉ ወገናት’ውን ኣለው። ንርእይቶ ክልቲኦም ወገን ዝሓዘ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%BD%E1%88%8D%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%8A%96%E1%89%A0%E1%88%8D-2019\/5200727.html"} {"headline":"'ሽልማት ኖቤል ዝቕበሎ ብሽም`ቶም ንሰላም መስዋእቲ ዝኸፈሉ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን`ዩ' ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ","content":"ሎሚ ኣብ ኦስሎ ኖርወይ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ሰላም ንክፍጠር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዲሞክራሲ ንክዕንብብ፡ ከምኡ`ውን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃን ሰሜን ኣፍሪቃን ሰላምን ዕርቅን ንክወርድ ንዘበርከቶ ኣበርክቶ ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ሽልማት ሰላም ኖበል ከም ዝተሸለመ ኮሚቴ ሽልማት ኖቤል ገሊጹ`ሎ ። ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣብቲ እዋን፡ “ ነዚ ሽልማት ዝቕበሎ ዘለኹ፡ ብሽም ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ብፍላይ ድማ ብሽም`ቶም ንሰላም መስዋእቲ ዝኸፈሉ`ዩ” ድሕሪ ምባል ፡ “ብተመሳሳሊ ነዚ ሽልማት ዝቕበሎ ናይ ሰላም መሻርኽተይን ብጻየይን ብዝኾኑ ብሽም ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ `ዩ- ምኽንያቱ ሰናይ ፍቓዶም፡ እምነቶምን ቁርራጽነቶምን ነቲ ን20 ዓመት ኣብ ዝነበሮ ደው ኢሉ ዝነበረ ውጥረት ንኸብቅዕ ወሳኒ ስለዝነበረ” ኢሉ። ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ንሰላም ዝህቦ ግምት ኻብ ምንታይ ከምዝብገስ ክገልጽ ከሎ፡ ብኣካል ካብ ዝተሳተፈሉ ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኩናት ካብ ዝረኣዮ ምዃኑ`ውን ኣብሪሁ። ንሰላም ዘለዎ ራእይ ካብ ናይ ምድማር ፍልስፍና ዝምንጩ ምዃኑ`ውን ከይጠቐሰ ኣይሓለፈን፡ “ ኩሎም ናይ ፖለቲካ እሱራት ፈቲሕና፡ መስቀይቲን ኢ-ሰብኣዊ ተግባራትን ዝፍጸመሉ ዝነበረ ማእከላት ዓጺና፡ ሎሚ ኢትዮጵያ ኣብ ናጽነት ፕረስ ጽቡቕ ሽም ኣለዋ፡ ከምቲ ናይ ቀደም ናይ ጋዜጠኛታት ቤት-ማእሰርቲ ኣይኮነትን”ኢሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%BD%E1%88%8D%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%8A%96%E1%89%A4%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%89%95%E1%89%A0%E1%88%8E-%E1%89%A5%E1%88%BD%E1%88%9D-%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%8B%8B%E1%8A%A5%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%8A%B8%E1%8D%88%E1%88%89-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8B%A9-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A2%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5\/5200703.html"} {"headline":"ኤርትራ ክሳብ 5 ሚእታዊት ዝበጽሕ ቁጠባዊ ዕብየት ከምዝተመዝግብ ኣፍሪቃ ፋይናንስ ኮርፐረሽን ኣፍሊጡ","content":"ኤርትራ ካብ`ዚ ዓመት``ዚ ጀሚራ ክሳብ 2024 ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ 4 - 5 ሚእታዊት ዝበጽሕ ቁጠባዊ ዕብየት ከምዝተመዝግብ ኣፍሪቃ ፋይናንስ ኮርፐረሽን ኣፍሊጡ። ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ መዳያት ጸዓት፡ ሕርሻን ማይን ዝበሉ መሰረተ-ልምዓታት ወፍሪ ብምግባር ዝፍለጥ ኣፍሪቃ ፋይናንስ ኮርፐረሽን: ኤርትራ ብፍላይ ካብ ማዕድናት እትረኽቦ ዘላ አታዊታት ኣብ ግምት ዘእተወ ወፍሪ ክገብር ከምዝደለየ ሓቢሩ። ላዕላዋይ ምኽትል ፕረዚደንት ኮርፐረሽን ፋይናንስ ኣፍሪቃ ዶ\/ር ኤኒ ኡሩዋ ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝሓበሮ፡ ትካሉ፡ ኣብ ኤርትራ ወፍሪ ንምግባር፡ ነታ ሃገር መበል 24 ኣባሉ ጌሩ ተቐቢልዋ`ሎ። ኤርትራ፡ ኣብ ማዕድናት ዝተመርኮሰ ቀጻልነት ዘለዎ ዕብየት ተርኢ ስለዘላን፡ ኣብ ሕርሻን ኢንዱስትሪን ዝጠመተ ትሕቲ ቅርጽታት ተበራብር ሰለዘላን፡ ኣብ`ቲ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ከባቢ ዳናኪል ዝካየድ ዘሎ ናይ ኩሉሊ ዕደና ፖታሽ፡ ወፍሪ ክንገብር መሪጽና ክብል እቲ በዓል ስልጣን ኣፍሪካ ፋይናንስ ኮርፐረሽን ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ ። ኣፍሪቃ ፋይናንስ ኮርፐረሽን፡ ብ5 ቢልየን ዶላር ወጻኢ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብሕታዊ መሰረተ-ልምዓታት ኣብ ምብርባር ዝነጥፍ ትካል`ዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%AD%E1%88%B3%E1%89%A5-2024-%E1%8A%AB%E1%89%A5-4---5-%E1%88%9A%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%8C%BD%E1%88%95-%E1%89%81%E1%8C%A0%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%8B%95%E1%89%A5%E1%8B%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8C%8D%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8D%8B%E1%8B%AD%E1%8A%93%E1%8A%95%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AD%E1%8D%90%E1%88%A8%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1-\/5200649.html"} {"headline":"መበል 71 ዓመት መዓልቲ ዓለምለኸ ሰብኣዊ መሰላት አብ አዲስ አበባ ተዘኺሩ","content":"ፕረዚደንት ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ወ\/ሮ መዓዛ ኣሸናፊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ብምኽባርን ክኽበር ብምግባርን ዓለምለኸ ግቡኡ ክፍጽም፣ልዕልና ሕጊ ብምስፋን ድሕነት ዜጋታቱ ክሕልውን ኣለዎ ኢለን ። መበል 71 ዓመት መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ምኽንያት ብምግባር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ንሰብኣዊ መሰላት ዝሰርሑ ስቪክ ማሕበራትን ብሓባር ኣብዘዳለውዎ መድረኽ መደረ ዘስምዓ ወ\/ሮ መዓዛ ኣሸናፊ ከምዚ ኢለን። “ኣብ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘሎ ፀገም ፈፂምና ብትዕግስቲ እንሪእዮ ኣይኮነን።መንግስቲ በዚ መዳይ ብዕቱብ ክሰርሕ ከምዘለዎ ኩላትና እንሰማምዐሉ እዩ።” ኣብቲ መድረኽ ዝቐረበ ናይ ሓባር መግለፂ ኣብ ቀረባ እዋን ብሰንኪ ዝተፈጥሩ ግጭታት ዝጥፍአ ህይወት፣ጉድኣት ኣካል፣ምዝንባል ሰባት፣ዕንወት ንብረትን መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት እናተጋደደ ምምፅኡ ናይ መንግስቲ ሕጊ ናይ ምኽባርን ናይ ፍትሒ ሕቶታት ናይ ምምላስ ተኽእሎ ፈተነ የጋጥሞ’ሎ ይብል ።ዜጋታት ንዝኸፍአ ቅልውላው ሰብኣዊ መሰላት ይቓልዑ ምህላዎም ዝምልከቶም ኣካላት ሕጊ ከኽብሩ፣ኣብ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝተሳተፉ ውልቀሰባትን ትካላትን ብቕልጡፍ ተሓተቲ ክገብሩ እቲ መግለፂ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። ኣብቲ መድረኽ “ሰላምን ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብድሆታት፣ዕድላትን ዓወታትን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእሰቲ ዝቐረበ ፅሑፍ ምይይጥ ተኻይዱ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%A0%E1%88%8D-71-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%8A%BA%E1%88%A9\/5200569.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ሽልማት ኖብል ሰላም 2019 ተቐቢሎም","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ናይ 2019 ሽልማት ኖብል ሰላም ሎሚ ሶሉስ ኣብ ከተማ ኦስሎ ኖርወይ ተቐቢሎም።ቀንዲ ምኽንያት እቲ ሽልማት ምስ ኤርትራ ብዝተፈጥረ ሰላም ምኻኑ ኣብቲ አጋጣሚ ተገሊጹ።ህይወት ኣስታት 70 ሽሕ ሰብ ዘጥፍአ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዓ.ም ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተኻየደ ኲናት ስዒቡ ዝተፈጥረ ደውታ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስመጹ ሓያል ዓለምለኸ ናእዳ ዘርከበ ስምምዕ ሰላም ምፍራሞም ይዝከር። ብዙሓት ተዓዘብቲ እቲ ስምምዕ ብፅኑዕ ምሕደራ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንዓመታት ትመሓደር ኣብዘላ ኤርትራ ፖለቲካዊ ለውጢ ክምፅእ እዩ ዝብል ተስፋ ገይሮም ነይሮም። ተንተንትን ኣክቲቪስትን ግን እቲ ስምምዕ መንግስቲ ኤርትራ ንዜጋታቱ ካብ ምጭቋን ደው ዘብል እንተኾይኑ ጥርጣርኦም ይውስኽ ኣሎ። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ነቲ ሽልማት ምስተቐበሉ ኣብዘስምዕዎ መደረ ከምዚ ኢሎም። “ብሽም ኢትዮጵያዊያንን ኤርትራዊያንን እየ ነዚ ሽልማት ዝቕበል ዘለኹ።ብተመሳሳሊ ነቲ ሽልማት ዝቕበል ዘለኹ ብሽመይን ብሽም ናይ ሰላም መሻርኽተይን ብፃየይን ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን እዩ።ሰናይ ፈቓደሞን እምነቶምን ስለዝኾነ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዝነበረ ደውታ ከብቅዕ ኪኢሉ’ዩ።” ፖለቲካዊ ተንታኒ ጎይትኦም ገብረልኡልን ገለ ምዕባለታት ኣለው ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክመፅእ ትፅቢት ጌረሙሉ ዝነበሩ ፖለቲካዊ ለውጢ ፈሺሉ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዶብ ኣይተሓንፀፀን በዚ ምኽንያት ድማ እቲ መስርሕ ሰላም ጎደሎ እዩ ኢሉ’ሎ። ‘ይኣክል’ ኣብ ዝብል ናይ ኤርትራዊያን ዳያስፖራ ትንቀሳቐስ ኣክቲቪስት ቬኒሳ ፀሃየ እውን ስምምዕ ሰላም ካብ ዝፍረም ልዕሊ ሓደ ዓመት እንተገበረ እውን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንዝነብሩ ተራ ኤርትራዊያን ግን ዝተለወጠ ነገር የለን ኢላ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%88%BD%E1%88%8D%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%8A%96%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-2019-%E1%89%B0%E1%89%90%E1%89%A2%E1%88%8E%E1%88%9D\/5200543.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ጽልኢ ዘረባን ወረ ሓሶትን ዝቆጻጸር ዘይሻራዊ አካል ከቕውም ሓደ ኣሜሪካዊ በዓል ሞያ ጸዊዑ","content":"ብማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ዝወጽእ ናይ ጽልኢ መልእኽትታትን ናይ ሓሶት መረዳእታታትን ንምቁጽጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይሻራዊ ዝኾኑ ምስ ዓለምለኻዊ ሕግታት ዝቃደውን ሓያል ሕግታት ከውጽእ ኣለዎ ክብል ሓደ ኣሜሪካዊ ፕሮፌሰር ሓቢሩ። ፕሮፌሰር ደቪድ ኬይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎንያ መምህር ዓለምለኸ ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ ሎሚ ቅነ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ተረኺቡ ምስ ብብዝሒ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ዝነጥፉ ውልቀሰባት ዘካየዶ ልዝብ ናይ ጽልኢ ዘረባታትን ናይ ሓሶት ወረታትን ብዝምልከት መደረ ኣስሚዑ። እቲ ኣብ ባህርዳር ዝተኻየደ መድረኽ ምስቲ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ምቁጽጻር ናይ ጽልኢ ዘረባን ሓሶት ወረን ንምርቓቅ ዘካይዶ ዘሎ መስርሕ ተጋጢሙ’ሎ። ኣሜሪካዊ ፕሮፌሰር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ዝወጹ ናይ ጽልኢ መደረታትን ናይ ሓሶት ሓበሬታትን ንምቁጽጻር ብዲሞክራሲ ዝበልጸጋ ሃገራት ዝጠቀማሉ ኣገባብ ከም ተመክሮ ምውሳድ ይክኣል’ዩ ኢሉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8C%BD%E1%88%8D%E1%8A%A2-%E1%8B%98%E1%88%A8%E1%89%A3%E1%8A%95-%E1%8B%88%E1%88%A8-%E1%88%93%E1%88%B6%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%86%E1%8C%BB%E1%8C%B8%E1%88%AD-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%BB%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%8A%A8%E1%89%95%E1%8B%8D%E1%88%9D-%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%88%9E%E1%8B%AB-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%91\/5199096.html"} {"headline":"መበል 14 ዓመት መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባት ህዝብታትን ኢትዮጵያ ሎሚ ተዘኺሩ ወዒሉ","content":"ናይ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ወ\/ሮ ሳህለወርቅ ዘውዴ ሰላም ድሕነት ሃገር ልዕሊ ኹሉ እዩ፣ኣብ ሓባራዊ ጉዳያት ሓድነትን ሃገራዊ ምርድዳእን ክፍጠር ኣለዎ ክብላ ሎሚ ኣብ ዝተዘኸረ መበል 14 ዓመት መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ገሊጸን። መበል 14 ዓመት መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባት ህዝብታትን ኢትዮጵያ ሎሚ ሶኑይ ኣብ ስታዲዮም ኣዲስ ኣበባ ዝተዘኸረ ኾይኑ ኣብቲ ስነ ስርዓት ዝተረኸባ ናይ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ ብሰላም ንምንባር ድሕነት ሃገር ወሳኒ እዩ ኢለን። “ካብ ናይ ዝሕላፈ ዓመት በዓል ጀሚሩ ሃገርና ብርክት ዝበሉ ፈተናታት ኣሕሊፋ’ላ።እዚ በዓል እዚ ዒላማ ዝተገብረሉ መደብ ንምዕዋት ገና ብዙሕ ከምዝተርፈና ኣብ ገሊኡ ድማ ንድሕሪት ዝተመለስልናሉ ኩነታት ከምዘሎ ሪኢና ኣለና።ስለዝኾነ ድማ ክሳብ ዝመፅእ ዓመት ሓድነትና፣ሕብረትና፣ኢትዮጵያዊነትናን ዘሓይሉ ውጽኢታት ንምምዝጋብ እቲ ስራሕ ሎሚ ክጅመር ኣለዎ።” ኣብ ድሮ ናይቲ በዓል ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘድሃቡ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝቐረበሉ ዝተረኸቡ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ እቲ በዓል ሰናይ ልምድታት እንቐስመሉን ሓደ ካብቲ ካልእ ዝመሃረሉ መድረኽ እዩ ኢሎም ።ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ እዚ ብዓል እዚ ዕዉትን ናይ ብልፅግናን ክኸውን እዩ ብምባል ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ ከምዚ ኢሎም። “ደጋጊምና ከምዝበልናዮ ኢትዮጵያ ኣይትብተንን እያ።ተወልዶ ኦሮሞ ዝኾርዑላ፣ኣምሓሩ ዝኾርዑላ፣ተጋሩ ዝኾርዑላ፣ተወላዶ ሶማል፣ዓፋር፣ወላይታ፣ሃዲያ፣ሲዳማን ካልኦትን ዝኾርዑላ ናይ ኩላትና ብማዕረ ትብጽሓና ገዛና ክትኸውን እያ።ሎሚ ዝርአ ዘሎ ዝኾነ ይኹን ሓጎፅጎፅ እናተፈትሐ ብሰላም ብፍቕሪ ሓቢርና እንነብረላን ሓዳሽ ኢትዮጵያ እንሃንፀሉ ከምዝኸውን ከረጋገፅለኩም እደሊ፤ሰናይ በዓል፣የመስግን።” ናይቲ ስነ ስርዓት ኣዳላዊ ክልል ኦሮሚያ ምኽትል ፕረዚደንት ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ ንኣጋይሽ ናይ እንኳዕ ድሓን መፃሕኹም መልእኽቲ ብምስማዕ ኣብ እዋን ስግግር ዝለዓለ ብድሆ እንተጋጠሙና እውን ተስፋ እውን ይርኣየናሎ ኢሎም። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝተኻየደ ስነ ስርዓት እቲ በዓል ናይ ብሄር ብሄረሰባትን ዝተፈላለዩ ባህላዊ ምርኢታት ቀሪቦም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%A0%E1%88%8D-14-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%89%A5%E1%88%84%E1%88%AD-%E1%89%A5%E1%88%84%E1%88%A8%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%8A%BA%E1%88%A9-%E1%8B%88%E1%8B%92%E1%88%89\/5199089.html"} {"headline":"ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኢንተርነት ምዕጻው ደው ከተብል ጸዊዖም","content":"ናይ ሕቡራት ሃገራት ክኢላታት ሓሳብኻ ብናጽነት ምግላጽ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኢንተርነት ብተደጋጋሚ ምዕጻው ደው ከብሉ ጸዊዖም። ፍሉይ ራፖርተር ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ መሰል ሓሳብኻ ብናጽነት ምግላጽ ዴቪድ ካያ መንግስቲ በብእዋኑ ዘካይዶም ኣገልግሎት ኢንተርነት ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ከምዘተሓሳስቦ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሩ። ንሱ ኣብ ዓመተ 2019 ጥራይ ኢትዮጵያ ትሸዓተ ጊዜ ኣገልግሎት ኢንተርነት ምዕጻዋን መብዛሕትኦም ድማ ኣብ እዋን ሃገራዊ ፈተናን ተቓውሞታትን ምንባሮም ዴቪድ ይገልጽ። “ምዕጻው ኣገልግሎት ኢንተርነት ንመሰል ሓሳብኻ ብናጽነት ምግላጽ ዝጥሕስ’ዩ” ዝበለ ፍሉይ ራፖርተር ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ መሰል ሓሳብኻ ብናጽነት ምግላጽ ዴቪድ ካያ “መንግስቲ ምዕጻው ኣገልግሎት ኢንተርነት ከም መሳርሒ ምጥቓም ደው ከብሎ ይጽውዕ። ብተደጋጋሚ ኣበየይ ሕጊ ኣገልግሎት ኢንተርነት ክዕጸው የፍቕድ ኢለ ሓቲተየ ግን መልሲ ዝህበኒ ኣይረኸብኩን” ኢሉ። ኢትዮጵያ ካብተን ኣብ እዋን ምርጫን ዝተፈላለየ ቀውሲ ኣገልግሎት ኢንተርነት ወይ ገለ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ብተደጋጋሚ ካብ ዝዓጸዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ እያ። ዴቪድ ወሲኹ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ናብ መዝነት ካብ ዝመጹ ዝተአታተወ ለውጢ ብምምዓድ ገና ዝተርፍ ብዙሕ ከምዘሎ ግን ኣይሓኣብን። ንሱ ኣብ ቀረባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረቐቐ ንድፊ ሕጊ ንጽልኢ ዘለዓዕል ዘረባን ግጉይ ሓበሬታ ንምቁጽጻር ዝብል ዝወጸ ሕጊ ንህዝባዊ ክትዓት ከም ገበን ዝቆጽር ከይከውን ዘለዎ ስግኣት ሓቢሩ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%8A%A2%E1%88%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%89%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%8C%BB%E1%8B%8D-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%96%E1%88%9D\/5198915.html"} {"headline":"10 ፓርቲታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ  ብሓባር ንምስራሕ ተሰማሚዖም","content":"ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ሓዊሱ 10 ፖለቲካዊ ውድባት ብሓባር ንምስራሕን እቲ ምትሕብባር ናብ ቅንጅት ንምስግጋርን ከምዝሰርሑ ገሊፆም። 10 ዝተፈላለዩ ፓርቲታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ሕብረት ብምፍጣር ናይ ሓባር ራኢን ዕላማን ሒዞም ንመሰል ዝውክልዎም ሰባት ከኽብሩን ረብሓኦምን ናጽነቶምን ሓድነቶምን ንምርጋግጽ ብዲሞክራሲያዊን ብሰላማዊን መንገዲ ንምቅላስ ተሰማሚዖም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%93%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%88%9B%E1%88%9A%E1%8B%96%E1%88%9D\/5196225.html"} {"headline":"ከንቲባ ከተማ ናይሮቢ ብክሲ ብልሽውና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም","content":"ከንቲባ ከተማ ናይሮቢ ማይክ ሶንኮ ገበን ብልሽውና ተጠርጢሮም ብፖሊስ ተኣሲሮም።ፖሊስ 3.5 ሚሊዮን ዶላር ኣጠፋፊኦም ኢሉዎም ኣሎ። ካብ 2017 ከንቲባ ዋና ከተማ ብምዃን ኣብ ምግልጋል ዝርከቡ ሶንኮ ሎሚ ዓርቢ እዮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም። ኮሚሽን ፀረ ብልሽውና ኬንያ ናይ ህዝቢ ሃብቲ ዘሪፎም፣ ብዝብል ምርመራ ከካይድ ድሕሪ ምፅናሕ ብትእዛዝ ዓቃቢ ሕጊ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ቀይዱ ኣትዮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A8%E1%8A%95%E1%89%B2%E1%89%A3-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%93%E1%8B%AD%E1%88%AE%E1%89%A2-%E1%89%A5%E1%8A%AD%E1%88%B2-%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%88%BD%E1%8B%8D%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%88%9D\/5196079.html"} {"headline":"ኮሚሽን ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ንወግዓዊ ውጽኢት ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ኣፍሊጡ","content":"ኮሚሽን ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ወግዓዊ ውፅኢት ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ድሕሪ ምእዋጁ ምንቅስቓስ ሓርነት ሲዳማሲኣን\/ ናይ ሓጎስን ምስጋናን መግለፂ ኣውፂኡ። እቲ ውድብ ኣብቲ መግለጺምስ ሕቶ ክልልነት ሲዳማ ተኣሳሲሩ 11 ሓምለ 2011 ምስ ዝተፈጠረ ፀገም ፀጥታ ዝተኣስሩ መናእሰይ ክፍትሑ’ውን ሓቲቱ’ሎ። ኮምሽን ምርጫ ቦርድ ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ብ98.89 ሚእታዊት ድምፂ ክልል ንምዃን ከምዝወሰነ ምግላፁ ይዝከር ይብል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%89%A6%E1%88%AD%E1%8B%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8B%88%E1%8C%8D%E1%8B%93%E1%8B%8A-%E1%8B%8D%E1%8C%BD%E1%8A%A2%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A0-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%88%B2%E1%8B%B3%E1%88%9B-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5196046.html"} {"headline":"ላዕለዎት ወታሃደራዊ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያን ኣሜሪካ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም","content":"ምክትል ኣዛዚ ስታፍ ሰራዊት ኣሜሪካ ጀነራል ጆን ሃይተን ምስ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል አደም መሓመድ ማህሙዴ ሎሚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም። ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት አዛዚ ስታፍ ሜጀር ትሪሻ ጊዮም ሎሚ ብጽሑፍ ብዝሃብዎ መግለጺ ናይ ክልቲኣን ሃገራት ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ ኣብ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ተራኺቦም ምዝታዮም ኣፍሊጠን ኣለዋ። ምክትል አዛዚ ስታፍ ሰራዊት ኣሜሪካ ጀነራል ሃይተን ኢትዮጵያ ኣብ ዞባዊ ምርግጋእ ንዘለዋ አበርክቶን ተሳትፎን ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ንዘሎ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓቃቢ ሰላም ተልእኾ ንትህቦ ድጋፍን አመስጊኖም። ብተወሳኺ ክልቲኦም መራሕቲ ወታሃደራዊ ምትሕብባር ኣብ ምሕያል ተዘራሪቦም ኣለው። ሽርክና ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ኣብ ሰላምን ምርግጋእን ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣገዳሲ ረቋሒ ምኳኑ’ውን ተገሊጹ’ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/5194591.html"} {"headline":"ማሕበር ግዳያት ጸረ ግብረ ሽበራ አዲስ አበባ እሱራት ተገዲዶም ዝሃብዎ ቃልን አሰር አጻብዕቲን ክስረዘሎም ሓቲቱ","content":"ማሕበር ግዳያት ጸረ ግብረ ሽበራ አዲስ አበባ ኣብ ማእከላዊ ገበን ምርመራ ተአሲሮም ከለው ተገዲዶም ዝሃብዎ ቃልን አሰር አጻብዕትን ዝአመሰሉን ሰነዳት ብወግዒ ክስረዘሎም ሓቲቱ። ተአሲሮም ከለው ዝተወስዶምን ብመርአያ ዝተታሕዘ ንብረቶም’ውን ክምለሰሎም እቲ ማሕበር ሓቲቱ’ሎ። እቲ ማሕበር ሎሚ ኣብ አዲስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ እቲ ብ 300 ዝኾኑ አባላት ዝተመስረተ ማሕበር ንዝሓለፈ 14 ኣዋርሕ ኣብ ምምሕዳር ከተማ አዲስ አበባ ዘቕረቦ ሕቶታት ምላሽ አይረኸበን ኢሉ’ሎ። ካብቶም ኣቅሪብናዮም ዝበልዎም ቀንዲ ሕቶታት አተሓባባሪ’ቲ ኮሚቴ’ቲ ማሕበር ኣቶ ዳርሰማ ሶሪ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8C%8D%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%88%A8-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%BD%E1%89%A0%E1%88%AB-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%A5%E1%88%B1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%8B%B2%E1%8B%B6%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%88%83%E1%89%A5%E1%8B%8E-%E1%89%83%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A0%E1%88%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A0%E1%8C%BB%E1%89%A5%E1%8B%95%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%B5%E1%88%A8%E1%8B%98%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%88%93%E1%89%B2%E1%89%B1\/5194554.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ \"ፌደራሊስት ሓይልታት\" ተዛዚሙ","content":"ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ \"ፌደራሊስት ሓይልታት\" ዝተረኸቡ ተሳተፍቲ ብቐፃሊ \"ፎረም ፌደራሊስት ሓይልታት\" ንምጥያሽ ከምዝተስማዕምዑ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ኣፍሊጦም:: “ምድሓን ሕገ መንግስትን ሕብረ ብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓትን\" ብዝብል መሪሕ ቃል ዝተኻየደ እዚ መድረኽ ትማሊ ኣማስዩ ተዛዚሙ:: No media source currently available ኣብዚ ልዕሊ 50 ውድባት ፓለቲካ ዝተሳተፍሉ መድረኽ ሓሙሽተ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም እዮም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B0-%E1%8A%AE%E1%8A%95%E1%8D%88%E1%88%A8%E1%8A%95%E1%88%B5-%E1%8D%8C%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8A%E1%88%B5%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%99\/5194533.html"} {"headline":"'ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት መብዛሕትኡ ኣብታ ሃገር ካብ ዝረአ ቅልውላው ፖለቲካ’ዩ' ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ","content":"ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት መብዛሕትኡ ኣብታ ሃገር ካብ ዝረአ ቅልውላው ፖለቲካ’ዩ ክብሉ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት’ታ ሃገር ተዛሪቦም። ንምምሕያሽ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ተሓታትነት ቀንዲ ስጉምቲ’ዩ ዝበሉ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣቶ ዳንኤል በቀለ ናይ ሎሚ ዓመት ዓለምለኸ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ምስ ካልኦት ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብምዃን’ቲ ኮሚሽን ንፈለማ ጊዜ ከምዘኽብር’ውን ኣፍሊጡ’ሎ። ብምኽንያት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብደረጃ ዓለም ዝኽበር መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ምስ ካልኦት ሃገር በቀል ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ብምዃን ሎሚ ብሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃቡ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዳንኤል በቀለ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዝሓሸ’ዩ ኢሎም ከምዝአምኑ ገሊጾም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%8A%A0-%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%88%83%E1%88%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%89%A5%E1%8B%9B%E1%88%95%E1%89%B5%E1%8A%A1-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%8A%A0-%E1%89%85%E1%88%8D%E1%8B%8D%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB-%E1%8B%A9-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%90%E1%88%AD-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/5193029.html"} {"headline":"ጠንቂ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝረአ ብርቱዕ ዝናብ ምውሳኽ ሙቐት ህንዳዊ ውቅያኖስ ምኳኑ ተገሊጹ","content":"ኣብ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ኣዋርሕ ዝናብ ካብ ዝጅመር ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብ ዘስዓቦ ምዕልቕላቕ ልዕሊ 200 ሰባት ሞይቶም ኣለው።ሙቐት ማይ ህንዳዊ ውቅያኖስ ክሳብ ክልተ ድግሪ ሰንቲግሬድ ክውስኽ ዘኽእልን ዝለዓለ ናይ ማይ ሃፈታ ብምውሳኹ ኣብ ወሰን ማያት ምብራቕ ኣፍሪቃ መጠን ዝናብ ኣብ ህንዲ ውቅያኖስ ብዝተፈጥረ ዲፖል ዝተብሃለ ሓይሊ ከምዝውስኽ ክኢላታት ይገልፁ። ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክሳብ ሰለስተ ሚሊዮን ሰባት ብዝናብ፣ውሑጅን ምንሽርታት መሬትን ኣብ ቀረባ መዓልታት ተሃሲዮም ኣለው።እዚ ብርቱዕ ዝናብ፡ምዕልቕላቕ ውሕጂን ምንሽርታት መሬታን ካብ ዘጋጠሞም ከባቢታት ሓደ ኣብ ኬንያ’ዩ። ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ሓንቲ ንእሽተይ ደሴት ተቐርቂሩ ዝፀንሐ ኬንያዊ ገፋፊ ዓሳ ቪንሰት ሙሲላ ንዘጋጠሞ ብከምዚ ክብል ይገልጽ። “ዓርቢ ዓሳ ክገፍፍ ናብኡ ወፊረ ነይረ።ማይ ኣይነበረን።ብሃንደበት ውሑጅ ኣዕለቕሊቑ፤ኣብ ውሽጢ ክልተ ደቓይቕ ተኸቢበ ክወፅእ ኣይክኣልኩን።” ኣባይቲ ዓኒዮም፣ዘርእቲ በሪሶም።ፅርጊያታትን ድልድያትን ብሰንኪ ዝወረዶም ዕንወት ናብ ገጠር ንምጉዓዝን ረድኤት ንምቕራብን ኣፀጋሚ ኮይኑ። ኣብ ቀረባ ንበዓልቲ ቤቱ ዝቐበረ ጆሴፍ ኦቲየኖ ውሑጅ ንሬሳ በዓልቲ ቤቱ ካብቲ መቓብር ከየውፅኦ ስግኣቱ ይገልፅ። “ምናልባሽ ሎሚ ተወሳኺ ዝናቡ እንተ ወቒዑ ሬሳ በዓልቲ ቤተይ ካብ መቓብር ክነውፅኦ ንግደድ ንኸውን።እቲ ናይ ሬሳ ሳንዱቕ ከይወፅእ ኣብ ልዕሊኡ ዓበይቲ ኣእማን ነቐምጠሉ ኣለና።” ኣብ መላእ እቲ ዞባ ሕፅረት መግቢ ኣጋጢሙ’ሎ።ገዝኡ ብውሑጅ ዝተወስዶ ዴቪድ ኣጉኮ ከምዚ ይብል። “ሎሚ ዘበን ግራውትና ጠፊኡ’ዩ።ከብትና ከይተረፋ እየን ብውሕጅ ተወሲደን።ኣብ ዓብይ ሽግር ኣለና።” ከቢድ ዝናብ ኣብ ገለ ኽፋላት ደቡብ ሱዳን ከቢድ ጉድኣት ኣውሪዱ’ሎ።ብግጭት ዝተመዛበሉ ማሕበረሰባት ደጊሞም ብውሑጅ ከባቢኦም ክልቁ ተገዲዶም ኣለው።ኣብ ደቡብ ሱዳን ፍሉይ ልኡኽ ሕብራት ሃገራት ዴቪድ ሺረር ትካሎም ኣብ ኣኮቦ በዚ ባህርያዊ ሓደጋ ንዝተጎድኡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት መሰረታዊ ዝኾኑ ኣገልግሎታት ንምቕራብ ከምዝተጸገመ ይገልጹ። “እዚ ከባቢ እዚ ዓሚቕ ቦታ እዩ።ካብ ኢትዮጵያ ከይተረፈ እዩ ውሑጅ ዝመፅእ ዘሎ።ኣዚዩ ዘሕዝን እዩ።ምስ ሰብኣዊ ሓገዝቲ ክንዘራርበሉ ኢና።” ዴቪድ ሺረር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብኦክስፋም ኣቢሉ ገለ ሓገዝ መግቢ ይልእኽ ኣሎ።ዘድልይ ሓገዝ ካብቲ ሰብ ዝግምቶ ንላዕሊ እዩ ይብሉ። ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ካብ ጥቅምቲ ክሳብ ታሕሳስ ዘሎ እዋን ዝናብ ይወቅዕ እዩ፤ከምዚ ናይ ሎሚ ግን ኣይኮነን።ተመራመርቲ ናይዚ ዓመት ዝናብ ዝተፈለየ ዝገብሮ ኣብ ህንዲ ውቅያኖስ ዋዒ ማይ ብምውሳኹ እዩ ይብሉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%A0%E1%8A%95%E1%89%82-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%89%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%8A%A0-%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%89%B1%E1%8B%95-%E1%8B%9D%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%BD-%E1%88%99%E1%89%90%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8A%95%E1%8B%B3%E1%8B%8A-%E1%8B%8D%E1%89%85%E1%8B%AB%E1%8A%96%E1%88%B5-%E1%88%9D%E1%8A%B3%E1%8A%91-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9-\/5192872.html"} {"headline":"“ምድሓን ሕገ መንግስትን ሕብረ ብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓትን\" ዝብል ሃገራዊ ኮንፈረስ ኣብ መቐለ ይካየድ'ሎ","content":"“ምድሓን ሕገ መንግስትን ሕብረ ብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓትን\" ብዝብል መሪሕ ቴማ ኣብ ከተማ መቐለ ሃገራዊ ኮንፈረንስ ይካየድ ኣሎ:: ኣብቲ ሎሚ ዝጀመረ ኮንፈረስ ልዕሊ 700 ካብ ኩሎም ክልላት ኢትዮጵያ ዝተአኻከቡ ተሳፍቲ ተረኺቦም ኣለዉ:: ብተወሳኺ ልዕሊ 50 ፌዴራሊስት ዝተባህሉ ውድባት: ምሁራንን ሽማግለ ዓድን ይሳተፉ ኣለዉ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%93%E1%8A%95-%E1%88%95%E1%8C%88-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%89%A5%E1%88%84%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8D%8C%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%AE%E1%8A%95%E1%8D%88%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8B%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%88%8E\/5191390.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝረአ ስግኣት ጸጥታ ንምቁጽጻር ሓድሽ መሓውር ምምስራቱ ኮሚሽን ፖሊስ’ቲ ክልል ሓቢሩ","content":"ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ዝርአ ስግኣት ፀጥታ ንምቁፅፃር መሓውሩ የመሓይሽ ከምዘሎ ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ገሊፁ። ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ወራር ይፍፀም፣ ኣብ ምሸት ድማ ድምፂ ቶኽሲ ጠያይቲ ይስማዕ ብሓፈሻ ምዝራግ ሰላም ከምዝርኣይ ፖሊስ ሓቢሩ። ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ኣብ ስግኣት ምውዳቖምን ልዕልነት ሕጊ ክሰፍን ብተደጋጋሚ ንመንግስቲ ክሓቱ ፀኒሖም እዮም ዝበለ ኮምሽን ፖሊስ’ቲ ክልል እዚ ሓዱሽ መሓውር ፖሊስ ዝተፈጥረ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ምዃኑ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ኣበረ ኣዳሙ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ሓቢሮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%8A%A0-%E1%88%B5%E1%8C%8D%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%8C%BB%E1%88%AD-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%8D%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%89%B1-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5191370.html"} {"headline":"ትካል ስደተኛታት ሕ\/ሃ ኣብ መፋነዊን መአከቢን ማእከል ትሪፖሊ ዝለው ስደተኛታት ከምዘጉል ኣፍሊጡ","content":"ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ካብ ዓቐን ንላዕሊ ሰባት ሒዙ ኣብ ዘሎ መሰጋገሪ ማእከል ስደተኛታት ከተማ ትሪፖሊ ሊብያ ዘለው ስደተኛታት ከምዘጉድል ወሃቢ ቃል’ቲ ትካል ብቐዳም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም። ሊብያ ኣብ ሃገሮም ካብ ዘሎ ኹናትን ድኽነት ሃዲሞም ናብ ማእከላይ ምብራቕን ኣውሮጳን ንምብጻሕ ዝጉዓዙ ስደተኛታት መሰጋገሪ ማእከል ኮይና ምጽንሓ ይፍለጥ። “እቲ ኩነታት ብጣዕሚ ኣጸጋሚ’ዩ ዘሎ፡ ንሕና ድማ እኹል ቐረብ የብልናን” ዝበሉ ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ቻርሊ ያክስሊ ኣብቲ ኣብ ዋና ከተማ ሊብያ ዝርከብ መአከቢን መፋነዊን ማእከል ልዕሊ 1200 ስደተኛታት ከምዘለው ንኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ገሊጾም ኣለው። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ትካል ዘይተመዝገቡ ስደተኛታት ሓገዝ ብምሃብ ካብቲ መአከቢን መፋነዊን ማእከልን ክወጹ ከምዝሓተተ ሓቢሩ’ሎ። ብመሰረት ኣሶሴይትድ ፕረስ ዝረኸቦ ሓበሬታ እቲ ትካል እቶም ስደተኛታት ኣብቲ ማእከል ክሳብ ዘሓልዎ ናብ ካልእ ቦታ ኮነ ሃገር ምጥያስ ከምዘይክእሉ ይገልጽ። ኣብቲ ማእከል ክምዝገቡ ዝደልዩ ኩሎም ካብቲ ማእከል ብምውጻእ ክምዝገቡ’ውን የተሓሳስብ። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ነቶም ዘይተመዝገቡ ስደተኛታት ካብ መጀመርያ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ናይ መግብን ሕክምናን ሓገዝ ከምዝህብ’ውን ኣፍሊጡ’ሎ። ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ቻርሊ ያክስሊ ትካሎም ነቶም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝደልዩን ናብ ካልእ ሃገር ዑቕባ ዝሓተቱ ስደተኛታት ከምዝተሓጋገዝ ሓቢሮም ኣለው። ኣሶሴይትድ ፕረስ ዘዘራረቦም ስደተኛታት ግን ኣብታ ሃገር ብዘሎ ቀጻሊ ኹናት ካብቲ ማእከል ንምውጻእ ንውሕስነቶም ከምዘስግእ ይገልጹ። ብመሰረት ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት ኣስታት 40,000 ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣብ ሊብያ ይነብሩ፡ ገለ’ውን ኣብ ብዕጡቓት ሚሊሻ ኣብ ዝመሓደሩ መዳጎኒ ማእከል ኣብ ኣዝዩ ተአፋፊ ዝርከቡ ሕጹጽ ሓገዝ ዘድልዮም ከምዝኾነ’ቲ ትካል ወሲኹ ይሕብር። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ 205 ካብ ዛውያ ዝተባህለ ከባቢ ተበጊሶም ናብ ኣውሮጳ ዘምርሑ ዝነብሩ ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምምላሱ ይገልጽ። 33 ካብቶም ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ምኳነን 14 ድማ ህጻናት ምዃኖም ኩሎም እቶም ስደተኛታት ናብ ታጁራ መዳጎኒ ማእከል ከምዝተወስዱ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%88%98%E1%8D%8B%E1%8A%90%E1%8B%8A%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8A%A0%E1%8A%A8%E1%89%A2%E1%8A%95-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%88%AA%E1%8D%96%E1%88%8A-%E1%8B%9D%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8C%89%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5191038.html"} {"headline":"ሃይማኖታዊ በዓል ‘ሕዳር ፅዮን’ ትማሊ ኣብ ከተማ ኣክሱም ተኸቢሩ","content":"ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ክሰፍን ፀሎትን ምህለላን ክግበር ይግባእ ኢሎም:: እቶም ፓትሪያሪክ እዚ ዝበሉ ሃይማኖታዊ በዓል ሕዳር ፅዮን ትማሊ ኣብ ከተማ ኣክሱም ኣብ ዝተኸበረሉ እዋን እዩ:: በዓል ሕዳር ፅዮን ትማሊ ኣብ ከተማ ኣክሱም ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያን ካብ ወፃኢ ሃገራት ዝመጹ ሰዓብቲ እምነት ክርስትናን በጻሕትን ኣብ ዝተረኸብሉ እዩ ተባዒሉ:: No media source currently available ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%8B%AD%E1%88%9B%E1%8A%96%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%8D%85%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%89%B5%E1%88%9B%E1%88%8A-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%A3%E1%8A%AD%E1%88%B1%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%89%A2%E1%88%A9\/5189698.html"} {"headline":"‘ሕዳር ጽዮን’ኣብ ኣስመራ ብክብ ዝበለ ሃይማኖታዊ ስርዓት ተኸቢሩ","content":"ዓመታዊ ክብረ በዓል ርእሰ ኣድባራት ቅድስተ-ማርያም ኣስመራ(ሕዳር ጽዮን) ሰንበት 1 ታህሳስ 2019 መራሕቲ ሃይማኖት፡መዘምራንን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምእመናንን ኣብ ዝተረኽብሉ ብክብ ዝበለ ሃይማኖታዊ ስርዓት ተኸቢሩ። ዓመታዊ ክብረ በዓል ‘ሕዳር ጽዮን’፡ኣብ ዝሰፍሕ ክፋል ከተማ ኣስመራ ዝበዓል ዝዓበየ ሃይማኖታዊ በዓል ብምዃኑ ኪኖ’ቲ ሃይማኖታዊ ትሕዝቶኡ ካብ ርሑቕን ቀረባ ዝመጽኡ ሰባት ዝራኸብሉን ዝነግድሉን በዓል ከምዝኾነ ነጋድያን ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቦም። ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%8C%BD%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%89%A5%E1%8A%AD%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%88-%E1%88%83%E1%8B%AD%E1%88%9B%E1%8A%96%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%89%A2%E1%88%A9\/5189691.html"} {"headline":"ብምክትል ኣቦ-መንበር ሉኣላዊ ባይቶ ሱዳን ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኣስመራ በጺሑ","content":"ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ብምክትል ኣቦ-መንበር ሉኣላዊ ባይቶ ሱዳን ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ተራኺቡ፡ተዘራሪቡ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂትማሊ ሰንበት 1 ታሕሳስ 2019 ፡ብምክትል ኣቦ-መንበር ሉኣላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደግሉ ንዝተመርሐ ልኡኽ፡ኣብ ኣዳራሽ ሃገር ተቐቢሉ ከም ዘዘራረበ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ‘ሻባይት’ ገሊጹ። እቲ ርክብ ኣብ ሕቶ ውሕስነት ሰላም ሱዳን ፡ ኣብ መንጎ ሱዳንን ብረታዊ ቃልሲ ከካይዱ ዝጸንሑ ጉጅለታት’ታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ርክብ ሰላምን ግስጋሲኡን ዘተኮረ ከምዝነበረን ክልተዊ ዝምድና ኤርትራን ሱዳንን ሒዝዎ ዘሎ እወንታዊ ኣንፈትን ንምድንፋዕ ክልቲኦም መንግስታት ብሓባር ክሰርሑ ኣብ ምርድድእ ከምዝበጽሑን መርበብ ሓበሬታ ‘ሻብይት’ ገሊጹ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A6-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%88%89%E1%8A%A3%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%AD%E1%88%90-%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%89%A0%E1%8C%BA%E1%88%91\/5189640.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ሚ\/ምኽልካል ኢትዮጵያ ለማ መገርሳን ግብረ መልሲ ፓርቲኦምን","content":"ሚንስትር ምክልካል ኢትዮጵያን ምክትል ኣቦ መንበር ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ኦሮሞ ኣቶ ለማ መገርሳ ምድማር ንዝብል ፍልስፍናን ውህደት ፓርቲታትን ከምዘይስማምዑሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም ። ንሶም ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቅ ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ውህደት ፓርቲታት ኣብ ዘጽደቐሉ ጊዜ ኣብቲ አኼባ ተረኺቦም ከምዝነበሩን ግን ብዛዕባ’ቲ ዝነብረ ከይዲ ዝርዝር ሓበሬታ ንምሃብ ፍቓደኛ ከምዘይኮኑ ገሊጾም ። ብካልእ ወገን ቤት ጽሕፈት ናይ ብልጽግና ፓርቲ ክልል ኦሮምያ ኣቶ ለማ መገርሳ ኣብ ኣሰራርሓ ውድብ ዘልዓልዎ ፍልልይ ዲሞክራሲያዊን ሓሳቡ ተወዲኡ ዘይተዓጸወ ብምዃኑ ሕጂ'ውን ንልዝብ ክፉት ምዃኑ ኣፍሊጡ'ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ መጠይቕ ምስ ሚ\/ምኽልካል ኢትዮጵያ ለማ መገርሳን ግብረ መልሲ ፓርቲኦምን ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%9A-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%8D%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%88%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%8C%88%E1%88%B3%E1%8A%95-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%8A%A6%E1%88%9D%E1%8A%95-\/5188050.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተፈጸሙ ቅትለታት ብሸነ ዝተባህለ ደባይ ተዋጋእቲ ምዃኑ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ'ቲ ዞባ ገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ይፍፀሙ ዘለው ቅትለታት\/ ቅንፀላታት ሸነ ተባሂሉ ብዝፅዋዕ ደባይ ተዋጋእቲ ከምዝተፈፀሙ ናይ ኦሮሚያ ቢሮ ፀጥታ ገሊፁ። መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ፈፀምቲ ናይቲ ቅትለት ስጉምቲ ይወስድ ከምዘሎ ምኽትል ሓላፊቢሮ ፀጥታ ክልል ኦሮሚያ ኮሎኔል ኣበበ ገረሱ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም። ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ቅድሚ ኣዋርሕ ጀሚሩ ዝተፈፀመ ቅትለያ ተመሳሳሊ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይቲ ገበን ተሓታቲ እውን ሸነ እዩ ኢሎም። ኮ\/ል ኣበበካብ ሰበስልጣን ወፃኢ ኣብ ልዕሊ ንፁሁን እውን ዘሰቅቕ ቅትለት ይፍጸም ኣሎ ኢሎም ። ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ገለ ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን መንግስትን ካልኦት ወልቀሰባትን ቅትለት ይውስኽ ምህላውን ስድራ መወትን መንግስትን ብተደጋጋሚ ክገልፁ ፀኒሖም ኣለው። መንግስቲ ንተጠርጠርቲ ናይቲ ገበን ናብ ሕጊ የቕርብ ከምዘሎ ዝሓበሩ ንሶም እቲ ሕብረተሰብ እውን ኣብ ጎኒ መንግስቲ ደው ብምባል ሓበሬታ ብምሃብ ክተሓባበሩ ፀዊዖም ኣለው። ኣብዚ ሰሙን ጥራሕ ሰለስተ ናይ ምዕራብ ኦሮሚያ ኣባላት ኣመራርሓ ከምዝተቐትሉ እውን ወሲኾም ገሊፆም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%99-%E1%89%85%E1%89%B5%E1%88%88%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%B8%E1%8A%90-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%88-%E1%8B%B0%E1%89%A3%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%8B%8B%E1%8C%8B%E1%8A%A5%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%91-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8A-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8C%BD%E1%88%95%E1%8D%88%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%89%B2-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5187000.html"} {"headline":"392 ኪ.ሜ. ዝንውሓቱ  ህንፀት መስመር ባቡር ኢትዮጵያ ብሰንኪ ጸገም ኤሌትሪክ ፈተነ ክካየድን ክትግበርን ከምዘይከአለ ተገሊጹ","content":"ብልዕሊ 1.7 ቢሊዮን ዶላር ዝተሰርሐ ፕሮጀክት ህንፀት መስመር ባቡር ኣዋሽ፣ ኮምበልቻ፣ወልዲያ ሃራ ገበያ ብሰንኪ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ፈተነ ስራሕ ይኹን ናብ ተግባር ንምእታው ከምዝተፀገመ ናይቲ ፕሮጀክተ ኣካያዲ ስራሕ ኣፍሊጦም። እዚ 392 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ፕሮጀክት ኣዋሽ ኮምበልቻ 99 ሚእታዊት፣ካብ ኮምበልቻ ወልዲያ ሃራ ገበያ ድማ 77 ሚእታዊት እንተተዛዘመ እውን ፀገም ሓይሊ መብራህቲ ዕንቅፋት ከምዝፈጠረሉ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ፕሮጀክት ኢንጂነር ኣብዱልከሪም መሓመድ ንቪኦኤ ገሊፆም። ኣማሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህን ሚንስትር መጎዓዚያ ወ\/ሮ ዳግማዊት ሞገስን ሎሚ ዓርቢ ኣብ ከባቢ ኮምበልቻ ብኣካል ብምርካብ ነቲ ፕሮጀክት ከምዝተዓዘቡ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።ክልቲኦም ሰበስልጣን ምስ ሓይሊ መብራህቲ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ፃዕሪ ይካየድ ምህላው ገሊጾም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AA-%E1%88%9C-%E1%8B%9D%E1%8A%95%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B1-%E1%88%85%E1%8A%95%E1%8D%80%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AD-%E1%89%A3%E1%89%A1%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8C%B8%E1%8C%88%E1%88%9D-%E1%8A%A4%E1%88%8C%E1%89%B5%E1%88%AA%E1%8A%AD-%E1%8D%88%E1%89%B0%E1%8A%90-%E1%8A%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8A%A8%E1%8A%A0%E1%88%88-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5186913.html"} {"headline":"ሚ\/ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣቶ ለማ መገርሳ ምድማር ንዝብል ፍልስፍናን ውህደት ፓርቲታትን ከምዘይስማምዑሉ ሓቢሮም","content":"ሚንስትር ምክልካል ኢትዮጵያን ምክትል ኣቦ መንበር ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ኦሮሞ ኣቶ ለማ መገርሳ ምድማር ንዝብል ፍልስፍናን ውህደት ፓርቲታትን ከምዘይስማምዑሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም ። ንሶም ሎሚ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቅ ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ውህደት ፓርቲታት ኣብ ዘጽደቐሉ ጊዜ ኣብቲ አኼባ ተረኺቦም ከምዝነበሩን ግን ብዛዕባ’ቲ ዝነብረ ከይዲ ዝርዝር ሓበሬታ ንምሃብ ፍቓደኛ ከምዘይኮኑ ገሊጾም ። ኣቶ ለማ መገርሳ ነቲ ምድማር ዝብል ፍልስፍና ዝተቓወምሉ ምክንያት ድማ ከምዚ ክብሉ የረድኡ። “ብሓፈሻ ካብ መጀመርያ ጀሚሩ ክሳብ መወዳእታ ምውህሃድ ፓርቲታት ብዝምልከት ዝተፈልየ ሓሳብ’ዩ ዘለኒ ካብ መጀመርያ ጀሚሩ ድማ ከምዘይአምነሉ ንፈጻሚ ስራሕን ንኹሉን ብሰፊሕ ገሊጸ’የ። እቲ ምውህሃድ ቅኑዕ ኣይኮነን ዝኸውን እንተኾይኑ’ውን ብታህዋኽ ክከውን የብሉን: እዋኑ ኣይኮነን” ኢሎም። ዝርዝር ቃለ መጠይቅ ሚንስትር ምክልካል ኣቶ ለማ መርገሳ ካብ ፓርቲኦም ምላሽ ምስ ረኸብና ከምነመሓልልፎ ንሕብር። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%88%88%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%8C%88%E1%88%AD%E1%88%B3-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%9B%E1%88%AD-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8D%8D%E1%88%8D%E1%88%B5%E1%8D%8D%E1%8A%93%E1%8A%95-%E1%8B%8D%E1%88%85%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%B5%E1%88%9B%E1%88%9D%E1%8B%91%E1%88%89-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D-\/5186887.html"} {"headline":"‘ካልኦት ፓርቲታት ንፓርቲ ብልጽግና ብምኽሳስ ዘይኾነስ አማራጺ ሓሳብ ብምምጻእ ይሞግቱ’ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ","content":"ካልኦት ፓርቲታት ንፓርቲ ብልጽግና ብምኽሳስ ዘይኾነስ አማራጺ ሓሳብ ብምምጻእ ይሞግቱ ክብሉ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣህመድ ጸዊዖም። እቶም ቀዳማይ ሚንስትር መንግስቶም ሕግን ስርዓትን ንክኽበር ቆሪጹ’ሎ ክብሉ’ውን ተዛሪቦም። ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያን ኣቦ መንበር ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዲግ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ብምኽንያት ምውህሃድ’ቲ ግንባርን ምምስራት ፓርቲ ብልጽግናን ኣመልኪቶም ሎሚ ኣብ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዚ ኢሎም። “ሓደ ሓደ ሓይልታት እዚ ሓድሽ ፓርቲ ብልጽግና አሃዳዊ ስርዓት ዘምጽእ ፈደራል ስርዓት ዝጥፍእ ብምባል በለካ ለኽዓካ ክዝረቡ ይስማዕ፡ እንተኾነ ኣብ ፕሮግራምና ብንጹር ከምዘቀመጥናዮ ፓርቲ ብልጽግና ሕብረ ብሄራዊን ፈደራላዊት ዲሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ ዘሓይልን ዝሃንጽ ደአ እምበር ዘየፍርስ ምዃኑ ብዘረባ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብቲ ፕሮግራም ከይተረፈ ዝተጠቓለለ ምኳኑ እናገለጽና ካልኦት ፓርቲታት ንፓርቲ ብልጽግና ብምኽሳስ ዘይኮነስ አማራጺ ሓሳብ ብምምጻእ ክምጉቱ እጽውዕ\" ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A6%E1%89%B5-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%8C%BD%E1%8C%8D%E1%8A%93-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%B3%E1%88%B5-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8A%BE%E1%8A%90%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%88%9B%E1%88%AB%E1%8C%BA-%E1%88%93%E1%88%B3%E1%89%A5-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8C%BB%E1%8A%A5-%E1%8B%AD%E1%88%9E%E1%89%B1%E1%8C%89-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5\/5185409.html"} {"headline":"ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተደጋጋሚ ብርቱዕ ዝናብን ምዕልቕላቕ ውሕጅን የጋጥም ኣሎ","content":"ኣብ ጅቡቲ ምዕልቕላቕ ውሕጅ ምግጣሙ ተገሊጹ።መንግስቲ ጅቡቲን ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝተራእየ ዓቐን ዝናብ ማዕረ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ዝተራእየ ምኳኑ ይገልጹ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኬንያን ሶማልን ሓዊሱ ሓያለ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብርቱዕ ዝናብን ምዕልቅላቕ ውሕጅን የጋጥመን ምሕላው ይግለጽ ኣሎ። ሎሚ ሓሙስ ዝወጸ ሓባራዊ መግለጺ መንግስቲ ጅቡቲን ሕቡራት ሃገራት ርብዒ ሚልዮን ሰባት በቲ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ምጽላዎም ይሕብር። ብተወሳኺ እቲ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝረአ ብርቱዕ ዝናብ ኣብ መወዳእታ’ዚ ወርሒ’ዚ ዳግማይ ከጋጥም ከምዝክእል የተንብሁ። ጅቡቲ ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ዓለምን ምውሳኽ ትሕዝቶ ማያት ማያዊ ክፍሊ ዓለም ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ካብ ዝርከብ ሃገራት ሓንቲ ምኳና ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ። ኣብ ሶማል’ውን ኣብ ቀረባ መዓልታት ብርቱዕ ምዕልቕላቕ ውሕጅ ምግጣሙ ይፍለጥ። ኣብ ኬንያ ኣብ ቀረባ መዓልታት ብዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ውሕጅን ምንሽርታት መሬትን 120 ሰባት ምሟቶም መንግስቲ’ታ ሃገር ይሕብር። ሰብ ሞያ ብወገኖም ሕክምና ብማይ ዝመሓላለፉ ሕማማት ብገፊሑ ከመሓላለፉ ይክእሉ’ዮም ክብሉ ዘለዎም ስግኣት ይገልጹ ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%89%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%89%B0%E1%8B%B0%E1%8C%8B%E1%8C%8B%E1%88%9A-%E1%89%A5%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%89%B1%E1%8B%95-%E1%8B%9D%E1%8A%93%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%8D%E1%89%95%E1%88%8B%E1%89%95-%E1%8B%8D%E1%88%95%E1%8C%85%E1%8A%95-%E1%8B%A8%E1%8C%8B%E1%8C%A5%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8B%AD%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BD\/5185131.html"} {"headline":"ኣብ የመን ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ዝርከብዎም 20 ሰላማዊያን ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ","content":"ኣብ የመን ኣብዚ ሰሙን’ዚ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ዝርከብዎም 20 ሰላማዊያን ሰባት ምሟቶም ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብታ ኣል ራቃ ዝተባህለ ናይ ዕዳጋ ቦታ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ዝርከብዎም 20 ሰባት ምሟቶም ገሊጹ። መግለጺ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ዝርዝር ሓበሬታ’ቲ መጥቓዕቲ ኾነ ፈጻሚ’ቲ መጥቓዕቲ ኣይገለጸን። ብሰንኪ ንዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ መንጎ ብስዑዲ ዝምራሕ ወታሃደራዊ ጥምረትን ብኢራን ዝድገፍ ምንቅስቃስ ሑቲ ኣብ የመን ክካየድ ዝጸንሓ ኹናት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ምሟቶምን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ድማ ንሓደጋ ጥምየት ክቓልዑ ምግዳዶም ይፍለጥ። ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቀሱ አባላት ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ብተመሳሳሊ ዝሓለፈ ሰሙን ረቡዕ ኣብ ሓደ ናይ ዕዳጋ ቦታ ደብዳብ ነፈርቲን መጥቓዕቲ ተኹሲን ከምዘጋጠመ ንኣገልግሎት ዜና ሓቢሮም። እቲ ቦታ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ተበጊሶም ስዑዲ ዓረብ ንምብጻሕ ብየመን ዝሓልፉ ስደተኛታት ዘዘውትርዎ ቦታ ምዃኑ’ውን ተገሊጹ’ሎ። ብመሰረት መግለጺ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ቐዳማይ መጥቓዕቲ 10 ሰባት ክሞቱ ከለው ኣብቲ ናይ’ዚ ሰሙን መጥቓዕቲ ድማ ኣርባዕተ ቆልዑ ዝርከብዎም 22 ሰባት ምሟቶም ተፈሊጡ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%A8%E1%88%98%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5%E1%8B%8E%E1%88%9D-20-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5184993.html"} {"headline":"ኢህወዴግ ሃገራዊ ውሁድ ፓርቲ ንክኸውን ዝተኻየደ መፅናዕቲ (2ይ ኽፋል)","content":"በዘይካ ህወሓት ሰለስቲኦም ኣባል ውድባት ኢህወዴግን ኣጋር ውድባትን ብልፅግና ፓርቲ ብዝብል ሽም ዝፅዋዕ ሓደ ሃገራዊ ውድብ መስሪቶምን ኣብ ምምስራትን ይርከቡ። ናብዚ መደምደምታ ዘብፅሐ መፅናዕቲ ኣብ 2010 ዓ\/ም እዩ ተጀሚሩ። ላዕለዎት ክኢላታትን ተመራመርትን ዝሓቖፈት እዛ ጉጅለ ኢህወዴግ ኣብ ዘመሓድረን ኣርባዕተ ክልላትን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ሕገ መንግስትን እተን ውድባት ዘቐመጥኦም ፖለቲካዊ ዕላማታት ይትግበሩዶ ኣለው ዝብልን ካልኦትን ንምፍታሽ መፅናዕቲ ከምዝተኻየደ ናይታ ጉጅለ መራሕን ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ መምህርን ተመራማራይን ዶ\/ር ሙሉ ነጋ ንቪኦኤ ገሊፆም። እቲ መፅናዕቲ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ተፅዕኖን ብሳይንሳዊ ናይ ኣፀናንዓ ሜላታትን ከምዝተሰርሐ ዝገለፁ ዶ\/ር ሙሉ እቲ ውህደት ኣድልይን ክፍፀም ከምዘለዎን እንተተቐመጠ እውን ቅድሚ ናብ ውህደት ምኻዱ ግን ናይ ኣመለኻኽታ ለውጢ ክመፅእ ከም ሓደ መፍትሒ ቀሪቡ ኢሎም። ‘’ውህደት ኣየድልን ዝበለ የለን፣ውህደት ክህሊ ኩሉ ተሰማሚዑ እዩ።ነገር ግን ኣብ መንጎ እተን ውድባት ዘሎ ናይ ኣተሓሳስባን ናይ ኣመለኻኽታን ፀገማት ክፍታሕ ከምዘለዎ እዩ ተቐሚጡ’’ኢሎም ዶ\/ር ሙሉ። በቲ ዝነበረ ኣካይዳ ፌደራላዊ ስርዓት ተዳኺሙ እዩ ነይሩ ዝበሉ ንሶም ከም ሃገር ሰባት ክንቀሳቐሱ እንድሕ ዘይክኢሎም፣ልዕልነት ሕጊ እንድሕር ዘይተኸቢሩ፣ሰባት ከምድላዮም ተንቀሳቒሶም ክነብሩ እንተዘይክኢሎም፣እቲ ፌደራላዊ ስርዓት ሽግር ኣብ ሽግር ከምዝወደቐ ዘርኢ ስለዝኾነ እቲ ውህደት እውን ነቲ ፀገም ንምፍታሕ እዩ ኢሎም። ‘’እቲ ውህደት ዝፍፀም ነቲ ሕገ መንግስቲ ኣኽቢሩን ሕብረ-ብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓት መሰረት ገይሩን እዩ።እቲ ውድብ ክውሃድ ከሎ እውን ነቲ ሕገ መንግስቲ ኣኽቢሩ እምበር ከምቲ ዝብሃል ኣሃዳዊ ዝብል ኣብቲ መፍትሒ ሓሳብ የለን ኢሎም’’ኢሎም። ብድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/eprdf-merger-study-team-of-experts-part-two\/5184965.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ አዴፓን ኦዲፓን ንውሁድ ፓርቲ ብልጽግና ክጽንበሩ ወሲኖም","content":"ደሞክራሲያዊ ፓርቲ ኦሮሞ ኣብ ከተማ ናዝሬት ኣብ ዝገበሮ ህጹጽ ውድባዊ ጉባኤ፡ ኣብ ኣወዳድባን ሕጊ-ስሪትን`ቲ ሓዲሽ ፓርቲ ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝታይ ናብ`ቲ ውሁድ ፓርቲ ክጽንበር ምውሳኑ ኣፍሊጡ`ሎ። ነቲ ውህደት ኣመልኪቱ ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ኦዴፓ ኣቶ ካሳሁን ጎፌ፡ ብዛዕባ`ቲ ሓዲሽ ዝቐውም ፓርቲ ሰፊሕ ክትዕን ዘተን ምክያዱ`ውን ንመንግስታዊ መሓ ሓቢሩ`ሎ። ብተመሳሳሊ፡ ገዛኢ ፓርቲ ኣምሓራ ኣዴፓ`ውን ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ህጹጽ ውድባዊ ኣኼባ፡ ናብ ብልጽግና ፓርቲ ክጽንበር ወሲኑ`ሎ። ሓዲሽ ዝተመስረተ ብልጽግና ፓርቲ፡ ናይ ጽልኢ ፓለቲካን ዝተዛብዐ ትካላዊ መሰረትን ንኸይነግስ ዕዙዝ ተራ ከምዝህልዎ`ውን ኣፍሊጡ`ሎ። ኣቦ-መንበር ኣዴፓ ኣቶ ደመቀ መኮነን፡ ደሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣምሓራ፡ ናብ`ቲ ውሁድ ፓርቲ ክጽንበር ከሎ፡ ንዝሓለፈ ታሪኹ ንምፍራስ ዘይኮነን፡ ዝነበርዎ ሓያል ጎንታት ንቀጻሊ ስንቂ ጌሩ ንምቕጻል` ምዃኑ ተዛሪቡ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A0%E1%8B%B4%E1%8D%93%E1%8A%95-%E1%8A%A6%E1%8B%B2%E1%8D%93%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8B%8D%E1%88%91%E1%8B%B5-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%8C%BD%E1%8C%8D%E1%8A%93-%E1%8A%AD%E1%8C%BD%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%88%A9-%E1%8B%88%E1%88%B2%E1%8A%96%E1%88%9D\/5183671.html"} {"headline":"ብሽም ሲዳማ ዝተወደቡ ክልተ ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ናይ ሓባር ጥምረት ፈጢሮም","content":"ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ብሽም ሲዳማ ዝተወደቡ ክልተ ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት፡ ሓደ ናይ ሓባር ጥምረት ፈጢሮም። እቶም ክልተ ፓርትታት ሲዳማ፡ ብሓባር ተወዲብና ንመሰል ህዝቢ ሲዳማ ንምኽባርን፡ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምህናጽን የኽእለና`ዩ ዝበልዎ ጥምረት ምምስራቶም ኣፍሊጦም ኣለዉ። ንሳቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብ ኢህወድግ ዝተገብረ ናይ ስልጣን ለውጢ እንተዘይመጽእ ኔሩ፡ ሲዳማ ክልል ናይ ምዃን መሰሉ ኣይምትሓለወሉን ኔሩ ክብሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%BD%E1%88%9D-%E1%88%B2%E1%8B%B3%E1%88%9B-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%8B%B0%E1%89%A1-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%8C%A5%E1%88%9D%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8D%88%E1%8C%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/5183634.html"} {"headline":"ዕላል ስነ-ጥበባዊያን ውቅያኖስን ቖርጫጭን (1ይ ክፋል)","content":"ተስፋዓለም ኣረፋይነን ውቅያኖስ ጉዕሽን ጥበብ ዘዛመደቶም’ምበር ብኣካል፣ ብስጋ ይኹን ብቦታ ኣይራኸቡን ኣይፋለጡን። ተስፋዓለም ኣብ ለንደን ኢንግላንድ፣ ውቅያኖስ ድማ ኣብ ሑመራን መቐለን ትግራይ ከለው’ዮም ተላልዮም። ክልቲኦም ስነ ጥበባዊያን ‘ከምኣጋጣሚ ከምዝተራኸቡን ሕውነታዊ ርክቦም ብዝሞቐ ኣገባብ ከምዝቐጸለን’ ይምስክሩ። ብዕድመን ተመክሮን ዝዓብይ ተስፋዓለም ንውቅያኖስ ‘ነዊሕ ዝጠመተን ዝዓሞቐን ማዕዳ’ ይልግሰሉ። ‘ቀስ ኢሉን ኣስተብሂሉን’ ንክዓቢ። ውቅያኖስ ብተርኡ ‘ስራሕቲ ስነ ጥበብ ጀመርኩዎ’ምበር ኣይወዳእኩን ‘ቅሰኑ’ዳኣ’’ ይብል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/tesfalem-arefaine-corchach-wuqianos-guesh-artists-poet-eritrea-ethiopia-people-to-people\/5183608.html"} {"headline":"ኢህወዴግ ሃገራዊ ውሁድ ፓርቲ ንክኸውን ዝተኻየደ መፅናዕቲ (1ይ ኽፋል)","content":"ህወሓት ሓዊሱ ኣርባዕተ ኣሓት ውድባት ዝሓቖፈ ግንባር ኢህወዴግን ሓሙሽቲአን ኣጋር ውድባትን ሓደ ውሁድ ሃገራዊ ውድብ ንምፍጣር ካብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዚያ 2010 ዓ\/ም ጀሚር መፅናዕቲ ከምዝተኻየደ ነቲ መፅናዕቲ ንምክያድ ብኢህወዴግ ናይ ዝተጣየሸ ጉጅለ ላዕለዎት ክኢላታት መራሒ ዝኾኑ ዶ\/ር መሉ ነጋ ንቪኦኤ ትግርኛ ገሊፆም። በዘይካ ህወሓት ሰለስቲኦም ኣባል ውድባት ኢህወዴግን ኣጋር ውድባትን ሓደ ሃገራዊ ውድብ ክምስረት ተሰማሚዖም ኣለው። እቲ ካብ ተፅዕኖ ነፃ ንክኸው፣ንድሕነት ናይቶም ዘፅንዑን ንቅንዕና ናይቲ መፅናዕትን ክብሃል ኮድ ተዋሂቡዎ ብሚስጥር ዝፍለጥ ጉጅለ መፅናዕቲ ሳይንሳዊ ናይ መፅናዕቲ ኣገባብ ተኸቲሉ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ተፅዕኖ መራሕቲ ይኹኑ ፖለቲከኛትት ከምዝተኻየደ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ መምህርን ተመራማራይን ዶ\/ር ሙሉ ገሊፆም።ኣባላት ናይቲ ጉጅለ ኣርባዕተ መምህራንን ተመራመርትን ዩኒቨርስቲ እዮም። ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ዝተቐመጠ መትከል ምፍጣር ሓደ ናይ ኢኮኖሚ ማሕበረሰብ በቲ ዝተቐመጠሉ ኣብ ባይታ ይትግበር እንተሃሊዩ፣ኩለን ውድባት ኣብ ፖለቲካዊ ፕሮግራመንን ዕላምአንን ዘቐመጥኦም መትከላት ይትግብርኦ ምህላወን ሓዊሱ ካልኦት ኣገደስቲ ጉዳያት ብምሓዝ መፅናዕቲ ከምዝተኻየደን እቲ ውፅኢት ድማ ዝተብሃሉ መትከላት ኣብ ምፍፃም ዓበይቲ ፀገማት ከምዘለውን ነዚ ንምፍታሕ ክኣ ምፍጣር ውሁድ ፓርቲ ኣገዳሲ ምዃኑን ብኩሎም ውድባት ተቐባልነት ከምዝረኸበ ወሲኾም ገሊፆም። ኮይኑ ግን ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ዝርከባ ውድባት ከም ኣብ ሓደ ግንባርን ኣብ ሓደ ዕላማን ዝጥርነፉ ከይኮናስ ከም ተፃረርቲ ሓይልታት ክጠላለፋ፣ክጠራጠራ፣ነንባዕለን ከምዝሰሓሐባ፣ኣብ መንጉአን ሰፊሕ ዘይምትእምማን ከምዘሎን እቲ መፅናዕቲ ኣረጋጊፁ’ሎ።ነዚ ንምፍታሕ ድማ ኣብ መንጎ እተን ውድባት ምዝርራብን ምርድዳእን ክፍጠር ናይ መፍትሒ ሓሳብ ከምዝተቐመጠ ወሲኾም ገሊፆም። እቶም ውድባት ውሽጣዊ ፀገሞም ብምዝርራብ ክፈትሑ ትፅቢት ይግበር እንተነበረ እውን ናይ ህውሓት ካብቲ መስርሕ ምውፃእ ግን ካብ ናይቲ መፅናዕቲ ኣመተ ወፃኢ እዩ ኢሎም። ብድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/eprdf-merger-study-team-of-experts-part-one\/5183584.html"} {"headline":"መግለጺ ህውሓት ኣብ ውህደት ኢህወዲግ","content":"ኢህወደግ ብሽም ውህደት ሓዱሽ ውድብ እዩ ይምስረት ዘሎ ክብሉ ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም። No media source currently available ዶክተር ደብረፅዮን ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ውድቦም ብኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕን ማእከላዊ ኮሚቴ ኣብ ውህደት ጠሚቱ ዘሕለፎ ውሳነ ናይ መወዳእታ መዕለቢ ዝህልዎ ብጉባኤ ብምዃኑ ህፁፅ ጉባኤ ክፅዋዕ እዩ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8D%E1%88%85%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%88%85%E1%8B%88%E1%8B%B2%E1%8C%8D\/5180596.html"} {"headline":"መግለጺ መድረክ ኣብ ህዝበ ውሳነ ሲዳማ","content":"ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ንሕገ መንግስቲ ተግባራዊ ዝገበሩ ተስፋ ህዝብ ስጉምቲ’ዩ ክብል ኣመራርሓ ተቓዋሚ ውድብ መድረክ ኣፍሊጡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%8A%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A0-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%88%B2%E1%8B%B3%E1%88%9B\/5178491.html"} {"headline":"ገዛኢ ፓርቲ ክልል ዓፋር አብዴፓ ምስ ብልጽግና ፓርቲ ንምውሃድ ወሲኑ","content":"ገዛኢ ፓርቲ ክልል ዓፋር አብዴፓ ምስቲ ሓድሽ ዝተዋሃደ ፓርቲ ኢትዮጵያ ንምውሃድ ወሲኑ። ኢህወዴግ ኣብ ቀረባ ሓደ ሃገራዊ ፓርቲ ንምኳን ከምዝወሰነን መሓዙት ፓርቲታት ድማ ነቲ ውህደት ክሓብሩ ከምዝወሰነ ይዝከር። ናይቲ ክልል ሓላፊ ጉዳያትኮሚኒኼሽን አቶ አሕመድ ካሎይት ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ገዛኢ ፓርቲ’ቲ ክልል አብዴፓ ምስ ብልጽግና ፓርቲ ንምውሃድ ዝወሰነ ብምሉእ ድምጺ’ዩ ኢሎም። ናይ ዓፋር ብሄራዊ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ አብዴፓ ህጽጹ አኼባ ሎሚ ብምጽዋዕ አካል ብልጽግና ፓርቲ ኢትዮጵያ ኮይኑ ንምቅጻል ብምሉእ ድምጺ ወሲኑ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%88%E1%8B%9B%E1%8A%A2-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD-%E1%8A%A0%E1%89%A5%E1%8B%B4%E1%8D%93-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%8C%BD%E1%8C%8D%E1%8A%93-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%83%E1%8B%B5-%E1%8B%88%E1%88%B2%E1%8A%91\/5178483.html"} {"headline":"ኣብ ወሎ ዩኒቨርሲቲ ኣብ መንጎ ኣምሓራን ኦሮሞ ተማሃሮ ዝነበረ ግጭት ብዕርቂ ተፈቲሑ","content":"ኣብቲ ኣብ መንጎ ተማሃሮ ወሎ ዩኒቨርሲቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ግጭት ንምፍታሕ ዝተኻየደ ናይ ዕርቂ ስነ ስርዓት ኣዴታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ዓብይ ተራ ምጽዋቶም ዝተገልጸ ኮይኑ ኣብ ዩኒቨርሲታት ዕግርግር ንምፍጣር ዝሰርሑ አካላት መንግስቲ ክገትዕ ጻወዒት ቐሪቡ። እቲ ዩኒቨርሲቲ ንግዚኡ ምክንያት’ቲ ግጭት ኣይፈልጥን ዝበለ ኮይኑ ብሰንኪ ብዝተፈጥረ ግጭት መስርሕ ምምሃር ምስትምሃር ንሓደ ሰሙን ምቁራጹ ተፈሊጡ’ሎ። እቲ ግጭት ምስ ተፈጥረ ንዝተጎድኡ ብምክንካን: ኣብ ስግኣት ዝነበሩ ኣብ ምብርታዕ: ካብ ቀጽሪ’ቲ ዩኒቨርሲቲ ንዝወጹ ድማ ኣብ ምትእንጋድ ዝተፈላለዩ ጻዕርታት ክካየዱ ምጽንሖም’ውን ተገሊጹ’ሎ። ከም ውጽኢት ክካየዱ ዝጸንሑ ጻዕርታት ኣብ መንጎ ኦሮሞን ኣምሓራን ተማሃሮ ወሎ ዩኒቨርሲቲ ዝጸንሓ ግጭት ትማሊ ብዕርቂ ተፈቲሑ’ሎ። ተማሃሮ ሸውዓተ ነጥብታት ዝሓዘ መርገጺ ም ብምግላጽ መንግስቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ዕግርግር ንምፍጣር ዝሰርሑ አካላት ናብ ሕጊ ከቕርብ ጸዊዖም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%88%8E-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%89%A8%E1%88%AD%E1%88%B2%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8E-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9E-%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%83%E1%88%AE-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%95%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%89%B2%E1%88%91\/5178379.html"} {"headline":"ሲዳማ መበል 10ይቲ ክልል ኢትዮጵያ ኮይና","content":"ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ምርጫ ቦርድ ምክትል ኣቶ ውብሸት አያሌ ንውጽኢት ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ሎሚ ኣማስይኡ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ወግዓዊ ጌሮም:: ብመሰረት እቲ ህዝበ ውሳነ 98.51 ሚእታዊት መረፅቲ ሲዳማ ክልል ክኸውን ድምፂ ሂቦም:: 1.8 ሚእታዊት መረፅቲ ድማ ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ክትፀንሕ ድምፂ ሂቦም:: ብመሰረት እዚ ውፅኢት ሲዳማ ክልል ክከውን ዘድልዮ ድምፂ ረኺቡ’ ሎ።ስለዝኾነ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘለዋ 9 ክልላት ተወሳኺ ሲዳማ ክልል ክኸውን ኪኢሉ ማለት እዩ :: ምርጫ ቦርድ ድምጺ ምሃብ ካብ ዝተመዝገቡ 2.3 ሚልዮን ሰባት 99.86 ሚእታዊት ድምጾም ምሃቦም ብምግላጽ ገለ ብድሆታት ዝበሎም ጉዳያት ኣብ እዋን ምርጫ ከምዝተራእዩን ክእረሙን መምሃሪ ክኮኑ ከምዝግባእ ሓቢሩ። እቲ ቦርድ ብተወሳኺ እዚ ህዝበ ውሳነ ኣብ መስርሕ ዲሞክራሲ’ታ ሃገር ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ዘሰጎመ’ዩ ኢሉ ከምዝኣምን ኣፍሊጡ’ሎ። ኣካል ክልል ህዝብታት ደቡብ ኢትዮጵያ ብምኻን ተወዲቡ ዝፀንሐ ሲዳማ ርእሱ ዝኸኣለ ክልል ንምኳን ብመሰረት ዝቐረበ ሕቶ: ህዝበ ውሳነ 10 ሕዳር 2012 ምክያዱ ይፍለጥ :: ኣብ ከይዲ እቲ ምርጫ ክእረሙ ይግባእ ዝተባሃሉ ጉዳያት ከይዲ እቲ ምርጫ ንሓደ ወገን ዘዳለወ ምንባሩ: ኣቐዲሙ ሓበሬታ ድምፂ ዝህቡ ኣካላት ብንፁር ንምርካብ ኣፀጋሚ ምንባሩ: ኣብ ሃዋሳ ከተማን ካልኦት ውስን ጣብያታት ምርጫ ዘይምልከቶም ኣካላት ተረኺቦም ምንባሮም እዩ ተሓቢሩ:: ኣብ ከተማ ሃዋሳ ድምጺ ኣሜሪካ ተዘዋዊሩ ካብ ዘዘራረቦም ነበርቲ ሓደ ቶማስ ቶርቤ: ሲዳማ ብክልል ንክውደብ ን24 ዓመታት ከምዝተቓለሰ ብምግላፅ ሎማ ውፅኢት ምርጫ ህዝበ ውሳነ ህዝቢ ሲዳማ ብምስምዑ ታሕጓሱ ወሰን ከምዘይብሉ ገሊፁ:: ባገሩ በቀለ ዝተባሃለ ወሃቢ ርእይቶ እውን: ህዝቢ ሲዳማ ንዘመናት ዘቕረቦ ሕቶ ስለዝተመለሰ ሕጉስ እየ ይብል:: ህዝቢ ሲዳማ ምስ ካልኦት ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ብሄራት ብሰላም ክነብር እዩ ክብል ድማ ገሊፁ:: ካልእ መልካሙ ዝተባሃለ ወሃቢ ርእይቶ ብወገኑ በቲ ውፅኢት ከምዝተሓጎሰ ብምግላፅ ብቐፃሊ ግና ኣብ ሲዳማ ዝነብሩ ናይ ልሊእ ብሄር ተወለድቲ መሰሎም ከይገሃስ ዘለዎ ስክፍታ ገሊፁ:: መንግስታት ዝተፈላለዮ ክልላት ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልአኽቲ የሕልፉ ኣለዉ:: መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣማስዩ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ንህዝቢ ሲዳማ እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሉ:: ብሕገ መንግስቲ ብዝተውሃበ መሰል ዝተረኸበ እዩ ዝበለ እቲ መግለፂ ነቲ ህዝበ ውሳነ መንግስትን ህዝብን ክልል ትግራይ ኣፍልጦ ከምዝሃብዎ ገሊፁ:: መሰል ህዝበ ውሳነ ኣብ ሕገ መንግስቲ ዝሰፈረ ብዝተኸፈለ መስዋእቲ እዩ ዝበለ መግለፂ መንግስቲ ክልል ትግራይ: እዚ ድማ ክንሕልዎ ኢና ኢሉ:: ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ሕገ መንግስታዊ መሰልኩም ተጠቒምኩም ናብዚ ብምብቃዕኹም እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም:: ህዝቢ ሲዳማ ዝረኸቦ ዓወት ምልክት ነፃነትን ሉኣለዊነትን ኮይኑ ብታሪኽ ክዝከር እዩ ክብሉ ተዛሪቦም:: ምክትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ እውን ኣብ ፌስቡክ ገፆም ንህዝቢ ሲዳማ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣሕሊፎም:: ኣብ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓንቀፅ 47 ብመሰረት ዝተቐመጠ ሲዳማ ኣብዛ ሃገር 10ይ ክልላዊ መንግስቲ ኮይኑ ክጣየሽ እዩ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B2%E1%8B%B3%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%A0%E1%88%8D-10%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AE%E1%8B%AD%E1%8A%93\/5178363.html"} {"headline":"ንወደብ ታዲጁራ ጁቡቲ ምስ ክልላት ዓፋርን ትግራይ ዘራኽብ መንገዲ ተመሪቁ","content":"እዚ መንገዲ ብወገን ጁቡቲ ካብ ወደብ ታዲጁራ ብንኡስ ከተማ ባልሆ ኣቢሉ ናብ ክልል ዓፋር ዘእቱ መንገዲ በወገን መንግስቲ ጁቡቲ ሙሉእ ብሙሉእ ምዝዛሙ ኣብ ሚኒስትሪ መጓዓዝያ ዳይረክተር ጉዳያት ኮሙኒኬሸን ኣይተ እንዳልካቸው ፀጋየ ገሊፆም። እዚ ሓዱሽ መንገዲ ዝምልከት ምስ ሓሊፊት ቢሮ ኮንስትራክሽንን መጓዓዝያን ወይዘሮ ኣልማዝ ገብረፃድቅን ኣብ ሚኒስትሪ መጓዝያ ዳይረክተር ጉዳያት ኮሙኒኬሸን ኣይተ እንዳልካቸወ ፀጋየን ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%8B%88%E1%8B%B0%E1%89%A5-%E1%89%B3%E1%8B%B2%E1%8C%81%E1%88%AB-%E1%8C%81%E1%89%A1%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%8A%BD%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%AA%E1%89%81\/5177664.html"} {"headline":"ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ሕገ ስርዓት ውሁድ ፓርቲ ምፃድቑ ኣፍሊጡ","content":"ንክልተ መዓልታት ክካየድ ዝፀንሐን ሎሚ ዝተዛዘመን ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ሕገ ስርዓት ሓዱሽ ውሁድ ፓርቲ ብምሉእ ድምፂ ምፃድቑ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣፍሊጡ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ህውሓት ካብ ውሁደት ኣባላት ኢህወዴግ ርእሱ እንተግለለ’ኳ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ ኣብዝሓ መናብር ካብ ምሓዝ ኣይኽልክሎን እዩ ክብሉ ሓደ ምሁር ገሊፆም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8A%A2%E1%88%85%E1%8B%88%E1%8B%B4%E1%8C%8D-%E1%88%95%E1%8C%88-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%8B%8D%E1%88%81%E1%8B%B5-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%8D%83%E1%8B%B5%E1%89%91-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1-\/5177651.html"} {"headline":"ዓቓቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ንሕገ መንግስትን ስርዓትን ብምፍራስ ገበን ኣብ ልዕሊ ዝተጠርጠሩ ሰባት 13 ክሲ መስሪቱ","content":"ናይ ኢትዮጵያ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ንእኒ ጀነራል ሰዓረ መኮነን ቀቲሉ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ሓዊሱ ንሕገ መንግስትን ሕገመንግስታዊ ስርዓትን ብምፍራስ ገበን ኣብ ልዕሊ ዝጠርጠሮም 13 ሰባት ክሲ መስሪቱ። ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣብዘቕረቦ ናይ ክሲ ጥርዓን 15 ሰነ 2011 ኣብ ባህርዳርን ኣዲስ ኣበባን ዝተፈፀመ ቕትለት ክገልፅ ከሎ እቶም ተኸሰስቲ ብጉጅለ ብምውዳብ ንሕገ መንግስታዊ ስርዓት ብምፍራስ ንክልል ኣምሓራን ፌደራልን ስልጣን ብሓይሊ ንምቁፅፃር ፈቲኖም ይብል። እቲ ኽሲ ንኣባላት ብምምልማል፣ብምስልጣን፣እቲ ገበን ንኽፍፀም ንህዝቢ ብምልዕዓል፣ወዲቦም ተልእኾ ብምሃብን ኣብቲ ገበን ብቐጥታ ብምስታፍን ህይወት 17 ሰባት ክጠፍእን ልዕሊ 20 ሰባት ክቖስሉን ከምኡ እውን ብርክት ዝበለ ንብረት ክዓንውን ገይሮም ይብል። ድሕነት ህዝቢ ኣብ ዝለዓለ ቅልውላው ክወርድ ስለዝገበሩ ተከሲሶም ኣለው ይብል። ካብ ወርሒ ሚያዚያ 2011 እቲ ትልሚ ተፈፃሚ ክኸውን ክውድቡ ከምዝፀንሑ ብምግላፅ 15 ሰነ 2011 ምኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ባህርዳር ሓላፊ ቢሮ ፀጥታንድሕነትን እቲ ክልል ዝነበሩ ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ፅጌ ንሕገ መንግስታዊ ስርዓት ብሓይሊ ንምፍራስ ናይቲ ክልል ፕሬዝዳንት ዶር አምባቸው መኮነን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን ቕትለት ክፍፀም ገይሮም ይብል። ኣብዚ ዕለት ኣብ ኣዲስ ኣበባ እውን ኣብ ልዕሊ ኤታማዦር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ጀነራል ሰዓረ መኮነንን መሓዝኦም ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ቀዳማይ ተኸሳሲ መሳፍን ጥበቡ ብዝተውሃቦ ተልእኾ ከምዝቐተሎም እቲ ኽሲ ይሕብር። ኣብቲ ኽሲ ካብ ዝተዘርዘሩ ሓደ ናይ ኣምሓራ ብሄራዊ ምንቅስቓስ\/ኣብን\/ኣባል ፈፃሚ ስራሕን ሓላፊ ርክብ ህዝብን ኣቶ ክርስቲያን ታደለ ይርከቡዎም። ናይ ተኸሰስቲ ጠበቓታት ዓማዊሎም ክሳብ ሎሚ ዝርከብሉ ኩነታት ስለዘይፈልጡን ኣብ ጉዳዮም ከምዘይተዘራረቡን ብምሕባር ንዓማዊሎም እኹል ሕጋዊ ኣግልግሎት ንምሃብ ዘኽእሎም ኩነታት ቤት ፍርዲ ከመዓራሪየሎም ሓቲቶም። ቤት ፍርዲ ብወገኑ ነቲ ጉዳይ ብዝምልከትን1 ታሕሳስብ 2012 ዓ\/ ቆፀሮ ሂቡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%89%93%E1%89%A2-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%95%E1%8C%88-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%88%AB%E1%88%B5-%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%A0%E1%88%AD%E1%8C%A0%E1%88%A9-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-13-%E1%8A%AD%E1%88%B2-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AA%E1%89%B1\/5177500.html"} {"headline":"ኣብ ምዕራብ ወለጋ ሓደ በዓል ስልጣን መንግስቲ ብዕጡቓት ምቕታሎም ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ሓደ በዓል ስልጣን ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ካብ ዕጡቓት ተተኲሱዎም ከምዝተቐትሉ ናይቲ ዞባ ኣማሓዳር ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም። ኣማኻሪ በዓል ስልጣን መንገዲ ክልል ኦሮሚያ ዝኾኑ ኣቶ ቶላ ገዳ ናብ ዞባ ቄለም ወለጋ ይጉዓዙ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ኣብ ወረዳ ላሎ ኣሳቢ መንንቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ከምዝተቐትሉ ኣማሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ኣቶ ኤሊያስ ኡመታ ገሊፆም። ካልኦት ሰበስልጣን መንግስትን ዕጡቓትን ኣብታ መኪና እንተነበሩ እውን ካልእ ዝወረደ ጉድኣት የለን ተባሂሉ’ሎ።መጥቓዕቲ ዝፈፀሙ አካላት ምህዳሞም ክሳብ ሕጂ ሓላፍነት ዝወሰደ አካል ከምዘየለ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ዞባ ቀሌም ወለጋ ትማሊ ሓሙስ ኣርባዕተ መናእሰይ ተቐቲሎም ኢሉ ሓደ ንድሕነተይ ስለዝሰግእ ሽመይ ኣይጠቐስ ዝበለ ነባሪ እቲ ዞባ ሓቢሩ’ሎ። ብዛዕባ’ዚ ኣማሓዳሪ እቲ ዞባ ኣቶ ኤሊያስ ግን ሓበሬት ምስረኸቡ መብርሂ ከምዝህቡ ሓቢሮም። ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን መንግስቲ ናይ ቅንፀላ ፈተናታት ከምዝተኻየዱ ኣቶ ኤሊያስ ገሊፆም ኣለው ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8C%8B-%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%89%A5%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%B3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5177466.html"} {"headline":"መግለጺ ዋና ኣመሓዳሪ ሲዳማ ኣብ ጉዳይ ህዝበ ውሳነ","content":"ቐፃሊ ስራሕ ምምሕዳር ሲዳማ ምርግጋፅ ሰላምን ህዝብታት ድማ ሓቢሮም ዝነብሩሉን ዝዓብይሉን ምቹእ ኩነታት ምፍጣር እዩ ኢሎም ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ:: እቶም ዋና ኣማሓዳሪ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተጀመረ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ መርኣያ እዩ ኢሎም:: ዋና ኣማሓዳሪ ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ እቲ ህዝበ ውሳነ ብሰላማዊ መንገዲ ምዝዛሙ ሓቢሮም:: ህዝቢ ሲዳማ ክልል ኮይኑ ክውደብ ንዘመናት ክሓትት ጸኒሑ እዩ: ኮይኑ ግና መራሕቲ ቅድሚ ሐጂ ስለዘይመለስዎ ዋጋ ኣኽፊሉና እዩ ኢሎም:: ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚንስትር ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ድሕሪ ምምፅኡ ግና ሕቶ ህዝቢ ሲዳማ ክምለስ ክኢሉ እዩ:: እዚ ዕውት ክኸውን ንዝገብሩ ክምስገኑ ይግባእ ኢሎም:: ኣይተ ደስታ እቲ ህዝበ ውሳነ ሰላማዊ: ዲሞክራሲያዊን ፍትሓውን ኮይኑ ተዛዚሙ እዩ: ኣብዚ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ንዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ድማ ዓብዪ ተመክሮ ክኸውን እዩ ኢሎም:: ኣብዚ ሐጂ እዋን ኣብ ጣብያታት ምርጫ ይልጠፉ ዘለዉ ውፅኢት ከምዘመላኽቶ ዝበዝሕ ህዝቢ ሲዳማ ክልል ክኸውን ከምዝደልይ ዘመላኽት እዩ ዝበሉ ኣመሃዳሪ ሲዳማ፡ ቐፃሊ ስራሕ ምምሕዳር ሲዳማ ምርግጋፅ ሰላምን ብሓባር ናይ ምንባር ባህሊ ምሕያልም ኢዩ ኢሎም:: ኣብ ሲዳማ ዝተኻየደ ህዝበ ውሳነ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተጀመረ ከይዲ ህንፀት ዲሞክራሲ መርኣያ እዩ ክብሉ ኣይተ ደስታ ላዴሞ ወሲኾም ሓቢሮም:: ንሶም ብመሰረት እቲ ዝተኻየደ ህዝበ ውሳነ: ሲዳማ ክልል ኾይኑ ተተወዲቡ ኣብዛ ሃገር ይጣየሽ ብዘሎ ሓዱሽ ውሁድ ውድብ: ብልፅግና ክምራሕ እዩ እውን ኢሎም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%B3%E1%88%AA-%E1%88%B2%E1%8B%B3%E1%88%9B-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A0-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90\/5176016.html"} {"headline":"ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ብፈፃሚ ስራሕ ዝቐረበሉ ናይ ውህደት ሕቶ ብምሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ","content":"ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ብፈፃሚ ስራሕ ዝቐረበሉ ናይ ውህደት ሕቶ ብምሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።ፅባሕ እውን ንሕገ ደንቢ ናይቲ ሓድሽ ፓርቲ ከፅድቕ ትፅቢት ይግበር።ህወሓት ግን ኣብቲ ኣኼባ ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ’ሎ። ፈፃሚ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ህዝብታት ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ግንባር\/ኢህወዴግ\/ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብብዝሒ ድምፂ ንዘፅድቖ ውህደት ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ሎሚ ሓሙስ ብምሉእ ድምፂ ከምዘፅደቖ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ኣቶ ፈቃዱ ተሰማ ገሊፆም። እቲ ፓርቲ ማእኸላይ መርገፂ ሒዙ ከምዝንቀሳቐስ ኣቶ ፈቃዱ ገሊፆም ኣለው። “ናብ ፀጋም ወይ ናብ የማን ከይዛዘወ፣መደብ ከይፈለየ ማእኸላይ ጭቡጥ ኩነታት ሃገርና ኣብ ግምት ዘእተወ ኣብ ዝብል ጉዳይ ብግልፂ ተዘራሪቡ መርገፂ ሒዙ’ሎ።ዝሓለፈ ኣወንታ ንክቕፅል ጉድለታት ድማ ብዘይምሕረት ንክእረም፣ናይ ሎሚን መፃእን ወለዶ ብማሕበራዊ ቁጠባውን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታት ብልፅግና ንምርግጋፅ ክቃለስ እዩ።” እቲ ቤት ምኽሪ ንፕሮግራም ናይ ኢትዮጵያ ብልፅግና ፓርቲ ተባሂሉ ዝተፀውዐ ፓርቲ ተዘራሪቡ ብምሉእ ድምፂ ኣፅዲቑዎ’ሎ።ረቂቕ ሕገ ደንቢ ናይቲ ፓርቲ ፅባሕ ክፀድቕ ትፅቢት ይግበር። ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ\/ህውሓት\/ ኣብዚ ናይ ሎሚ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኣይተሳተፈን። ቤት ፅሕፈት ህወሓት ትማሊ ረቡዕ ንቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ኣብዝለኣኾ ደብዳቤ ‘ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ፣ ንናይ ውህደት ኣጀንዳ ተመያይጡ ንክውስን ሕጋዊን ፖለቲካዊ ስልጣን የብሉን’ ኢሉ’ሎ። ‘ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዴግ ኣብ ልዕሊ ውጽኢት መጽናዕቲ ንክዘራረብ ዝሓዞ መደብ ንጎኒ ገዲፉ፣ ናብ ውህደት ንሳገር ብዝብል ሕጋዊነት ዘይብሉ ውሳነ ብቤት ምኽሪ ንክድገም ይሰርሕ ኣሎ፤እዚ ድማ ‘ብውህደት ኣሳቢብካ ንህወሓት ንምፍራስ ዘኽእል ሕጋዊ ስልጣን ስለዘይብልና፣ ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ተሳቲፍና ንናይ ህወሓት ምውሃድ ክንውስን ኣይንኽእልን፤ ዕጫ ህወሓት ዝውሰን ብጉባኤ ህወሓት ስለዝኾነ፣ ህወሓት ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ኣይትሳተፍን ክብል ትማሊ ኣብ ዝለኣኾ ብደብዳቤ ኣረጋጊፁ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8A%A2%E1%88%85%E1%8B%88%E1%8B%B4%E1%8C%8D-%E1%89%A5%E1%8D%88%E1%8D%83%E1%88%9A-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%88%A8%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%8D%E1%88%85%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%89%B6-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%88%89%E1%8A%A5-%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8D%82-%E1%8A%A3%E1%8D%85%E1%8B%B2%E1%89%91\/5175981.html"} {"headline":"ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ተዛዚሙ","content":"ዞባ ሲዳማ ክልል ንምዃን ብዝተላዕለ ሕቶ መሰረት ሎሚ ህዝቢ ህዝበ ውሳነ ብምኽያድ ድምጹ ክህብ ውዒሉ’ሎ። እቲ ህዝበ ውሳነ ፍረ’ቲ ኣብታ ሃገር ይካየድ ናይ ዘሎ ለውጢ’ዩ ክብሉ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ህዝቢ ሲዳማ ኣቶ ሰለሞን ካሊ ተዛሪቦም ኣለው። ውጽኢት’ቲ ህዝበ ውሳነ ዞባ ሲዳማ ክልል ክኸውን ዘረጋግጽ እንተኾይኑ እዚ ሓድሽ ክልል ዝምራሕ ብሓድሽ ዝተመስረት ፓርቲ ብልጽግና ከምዝከውን እቶም ኣፈ ጉባኤ ወሲኾም ሓቢሮም ኣለው። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ቅድም ክብል ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ኢትዮጵያ ትጉዓዘሉ ዘላ ጎደና ዲሞክራሲ ሓባሪ’ዩ ኢሎም ኔሮም። እቲ ከይዲ ህዝበ ውሳነ መምሃሪ ክኾኑ ካብ ዝኽእሉ ገለ ጉድለታት ብሰላማዊ መንገዲ ብዝለዓለ ተሳትፎ ህዝቢ ከምዝተኻየደ ተዓዘብቲን ኢትዮጵያዊያን ማሕበራት ሲቪክን ገሊጾም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A0-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%88%B2%E1%8B%B3%E1%88%9B-%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%99\/5174477.html"} {"headline":"ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ሰለስት ቆሞሳት ኦርቶዶክስ ኤርትራ፡ ንቃለ-መጠይቕ መራሕቲ ሲኖዶስ ምላሽ ይህቡ","content":"ፓትርያርክ እንጠንዮስ ናብ ስልጣኖም እንተዘይተመሊሶም ኣብ ሓድነት ኦርቶዶክስ ኤርትራ ዓቢይ ናይ ምክፍፋል ስግኣት ከምዝህልው`ውን ኣጠንቂቖም ሰለስተ ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ቆሞሳት ኦርቶዶክስ ኤርትራ፡ ነቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብኣቡነ ሉቃስ ዝምራሕ ኣብ ኣመሪካ ዑደት ጌሩ ዝተመልሰ ጉጅለ ልኡኽ ሲኖዶስ ኤርትራ ዝሃቦ ቃለ-መጠይቕ ኣብ ቪኦኤ ቀሪቦም ምላሽ ሂቦም ኣለዉ። ንሳቶም ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ንሳቶም ሕጋዊ ሰበኻ ከምዝኾኑን፡ ነቶም ኣብ ማሕዩርን ማእሰርትን ኣለዉ ዝበልዎም ፓትሪያርክ እንጠንዮስ ተኸቲሎም ዝኸዱ ከምዝኾኑን ገሊጾም። ፓትርያርክ እንጠንዮስ ናብ ስልጣኖም እንተዘይተመሊሶም ኣብ ሓድነት ኦርቶዶክስ ኤርትራ ዓቢይ ናይ ምክፍፋል ስግኣት ከምዝህልው`ውን ኣጠንቂቖም። ምስ ቆሞስ ከሰተብርሃን ገብረሚካኤል ካብ ቤተክርስትያን ቅድስት ስላሴ ስያትል፡ ሊቀ-ካህናት ገብረሚካኤል ዮውሃንስ ካብ ደብረ ግእዛን መድሃኔ ኣለም ቤተክርስትያን ኣትላንታ፡ መልኣከ-ሰላም ወልደንስኤ ብርሃነ ካብ ደብረ-ሰላም መድሃኔ ኣለም ዋሺንግተን ዲሲ -ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/eritrea-orthodox-church-in-exile\/5171184.html"} {"headline":"ይርጋአለም፡ ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ሎሚ ተኻይዱ","content":"ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ዞባ ሲዳማ ክልል ንምኳን ብዝቐረበ ሕቶ መሰረት እዩ እቲ ህዝበ ውሳነ ዝተኻየደ:: No media source currently available ሎሚ ኣብ ከተማ ይርጋለም ዝተኻየደ ህዝበ ውሳነ ዝነበረ ከይዲ እዚ ይመስል ኔሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A0-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%88%B2%E1%8B%B3%E1%88%9B-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/5174383.html"} {"headline":"ኣብ ኤርትራ ኣህጉራዊ መዓልቲ ቆልዑ ብዝተፈላለየ መደባት ተዘኪሩ ውዒሉ","content":"ኣህጉራዊ መዓልቲ ቆልዑ “ውሁድ ጻዕሪ ንምርግጋጽ መሰላት ቆልዑ’ ብዝብል ቴማ ሎሚ 20 ሕዳር 2019 ነቲ ዕለት ብዘንጸባርቑ ዝተፈላለዩ መደባት ተዘኪሩ ውዒሉ። ኣብቲ ኣብ ኣስመራ-ኣዳራሽ ኤክስፖ ዝተገብረ ስነ ሰርዓት፡ ኣብ ሚንስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሰብኣዊ ድሕነት ኣቶ ምሕረትኣብ ፍስሃየ፡ ”ቆልዑ ንነብሶም፡ስድራ-ቤቶምን ሃገሮምን ዝኾኑ ብሉጻት ዜጋታት ንክኾኑ ድሌቶም ዝስምዑሉ ሃዋህውን ግዜን ክወሃቦም ኣለዎ“ ኢሉ። ኣብ ኤርትራ ወኪል ዩኒሴፍ ሚስ ሻሂኒ ሎፐር ብወገና ‘ኣብዚ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንትግባረ ውዕል መሰላት ቆልዑ ዘጽደቐሉ መበል 30 ዓመትን፡ መበል 28 ሽርክነት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኤርትራን ዝዝከረሉ ድርብ በዓል፡ ኩላትና መብጽዓና እነሕድሰሉ መዓልቲ’ያ’ ኢላ። ኤርትራ ኣብ ኣትሓሕዛ ቆልዑ ንዘመዝገበቶ ዕቤት ንምዝካር ሎሚ ምሸት ኣብ እግሪ ህንጻ ፊያት-ታሌሮ ብዩኒሴፍ ዝተወደበ ናይ ዝኽሪ መደብ ተኻይዱ ኔሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%88%85%E1%8C%89%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%89%86%E1%88%8D%E1%8B%91-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A8-%E1%88%98%E1%8B%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%8A%AA%E1%88%A9-%E1%8B%8D%E1%8B%92%E1%88%89\/5174107.html"} {"headline":"ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ቃለ ምስክርነት እቶም ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ብልሽውናን ዝተኸሱ ሓለፍቲ ደሕንነትን ስለያን ሰሚዑ","content":"ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ’ቶም ብኸቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ብልሽውናን ዝኸሰሶም ሓለፍቲ ደሕንነትን ስለያን ሎሚ መበል 76 ምስክር ቃለ ምስክርነቱ ሂቡ’ሎ። እቲ መበል 76 ምስክር ኣቶ ደሳለኝ አሰፋ ካብ ደቡብ ጎንደር ከተማ ደብረ ታቦር ዝመጹ ኾይኑ ምስክርነቱ ዘቕረበ ኣብ ልዕሊ መበል 23 ተኸሳሲ ኣቶ አሸናፊ ተስፋሁን ምኳኑ ንቤት ፍርዲ ተዛሪቡ። መስካሪ ንተኸሳሲ ብአካል ዝፈልጦ እንተኾይኑ ተሓቲቱ ካብ ካልኦት ተኸሳሲ ፈልዩ ኣመልኪቱ’ሎ። እቲ ምስክር ካብ ከተማ ደብረታቦር ናብ ከተማ ሆሮታ ተወሲዱ ድሕሪኡ ናብ ከተማ ባህርዳር ተወሲዱ ናይ መስቀይቲ መርመራ ከምዝተፈጸሞ ዘርዚሩ። በቲ ናይ መስቀይቲ መርመራ’ውን ኣብ ኢዱን እግሩን ምስክር’ዩ ዝበሎ በሰላ ንዳኛ ኣርእዩ። እቲ ምስክር ናይ መስቀይቲ ተግባር ዝተፈጸሞ ብመበል 23 ተኸሳሲ ኣቶ አሸናፊ ተስፋሁን ትእዛዝ’ዩ ክብል ተዛሪቡ። ድሕሪኡ ናይ ግንቦት 7 አባል ኢኻ ተባሂሉ ብገበን ግብረሽበራ ተፈሪዱ ልዕሊ 23 ዓመት ተአሲሩ ከምዝተፈትሓ ተዛሪቡ። ዓቃቢ ሕጊ ዘቕረቦ ካልእ መበል 88 ምስክር ትክክለኛ አድራሻ ሒዙ ክምለስ ቤት ፍርዲ አዛዙ። ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ዋና ሓላፊ ደሕነትን ጸጥታን ዝነበሩ ኣቶ ጌታቸው አሰፋ ዝርከቦም ኣብ ልዕሊ 26 ሓለፍትን ሰራሕተኛታት’ቲ ኤጄንሲ ክሲ ምምስራቱ ይፍለጥ። ካብዚኦም እቶም 22 ሎሚ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝወዓሉ ክኾኑ ከለው ኣቶ ጌታቸው አሰፋ፡ኣቶ ኣጽብሃ ግደይ፡ኣቶ አሰፋ በላይን ኣቶ ሲሻይ ልኡልን ብአካል ኣብ ዘይተረኽብሉ ጉዳዮም ኣብ ቤት ፍርዲ ከምዝተራእየ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ አዲስ አበባ ሓቢሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%89%83%E1%89%A2-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A5%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%8C%8D%E1%88%85%E1%88%B0%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%88%BD%E1%8B%8D%E1%8A%93%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%88%B1-%E1%88%93%E1%88%88%E1%8D%8D%E1%89%B2-%E1%8B%B0%E1%88%95%E1%8A%95%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%88%88%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%88%9A%E1%8B%91\/5172877.html"} {"headline":"ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ፅባሕ ክካየድ እዩ","content":"እዚ ልዕሊ 2.3 ሚልዮን መረፅቲ ዝተመዝገብሉ ምርጫ ብሰላማዊ መንገዲ ክዛዘም ምምሕዳር ዞባ ሲዳማ ይሰርሕ ምህላዉ ገሊፁ:: ኣብ ከተማ ሃዋሳን ከባቢኣን ካብ ዘለዉ 165 ጣብያታት ምርጫ ኣብ ክፍለ ከተማ መናሃርያ ጣብያ ምርጫ ሰላም ዝረኸብናዮም ኣይተ ኣለማየሁ ዳግም እቲ ከባቢ ፅባሕ ንዝካየድ ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ብሃንቀውታ ይፅበ ኣለኹ ኢሎም:: ኣቐዲሞም ካርድ ምርጫ ምውሳዶምን ፅባሕ ድማ ኣብ ጣብያ ምርጫ ቐዲሞም ተረኺቦም ድምፅ ከምዝህቡ ገሊፆም:: No media source currently available ካልእ ኣብታ ከተማ ዝረኸብናዮ ደነቀ ሙሉጌታ ዝተባህለ ነባሪ: ቁቤ ኣብ ዝተባህለ ጣብያ ፅባሕ ድምፁ ከምዝህብ ገሊፁ:: ንምርጫ ዘድልይዎ ካርድን መለለዪ መንነትን ሒዘ እየ ክብል ተዛሪቡ:: ኣብ ከተማ ሃዋሳ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብምዝውዋር ፅባሕ ንዝካየድ ህዝበ ውሳነ ንጣብያታት ምርጫ ዳስ ተስሪሖም ከምዘልወ ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ’ሎ:: ኣብ ውሽጢ እቶም ዳስ ድማ ናይ ምስጢር ድምፂ መውሃቢ: ናይ ኣፈፀምቲ ምርጫን ተዓዘብትን ቦታ ተዳልዩ ኣሎ:: ብተወሳኺ ድማ ምልክታት እቲ ህዝበ ውሳነ ዝኾኑ ምስልታት \"ሻፌታን ጎጆን\" ተጠቂዖም ከምዝተዓዘበ ገሊፁ:: ኣብ ክፍለከተማ መናሃርያ ጣብያ ምርጫ ሰላም ካብ ዘለዉ ኣፈፀምቲ ምርጫ ሓንቲ ሶስና ኣበበ እያ:: ፅባሕ ንዝካየድ ምርጫ ተዳሊና ኣለና ትብል:: ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ዞባ ሲዳማ ሕቶ ክልል ናይ ምኳን ኣልዒሉ ፅባሕ ድማ ህዝበ ውሳነ ክካየድ እዩ:: ኣብቲ ምርጫ ንምስታፍ 2 .3 ሚልዮን ህዝቢ ከምዝተመዝገበ ዋና ኣማሓዳሪ እቲ ዞባ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ ተዛሪቦም:: እዚ ድማ ክምዝገብ ካብ ዝተተለመ ህዝቢ 120 ሽሕ ብልጫ ኣለዎ ኢሎም:: ንሶም ወሲኾም እቲ ከይዲ ምርጫ ሰላማዊ ኮይኑ ክዛዘም ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ድማ ገሊፆም:: ፅባሕ እቲ ህዝበ ውሳነ ኣብ ዝካየደሉ እዋን መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮን ውልቀ ትካላትን ከምዝዕጸው ተፈሊጡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A0-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%88%B2%E1%8B%B3%E1%88%9B-%E1%8D%85%E1%89%A3%E1%88%95-%E1%8A%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8A%A5%E1%8B%A9\/5172789.html"} {"headline":"ህወሓት ኣብ ኣኼባ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ እንታይ በለ? ስለ ምንታይከ ንውህደት ተቓዊሙዎ?","content":"ንልዕሊ 30 ዓመት ብግንባርነት ዝዘለቐ ገዛኢ ውድብ ናይ ኢትዮጵያ ህዝብታት ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ግንባር\/ኢህወዴግ\/ ንኣጋር ውድባት ዝሓቖፈ ውሁድ ሃገራዊ ፓርቲ ክኸውን ፈፃሚ ራሕ ኢህወዴግ ዝሓለፈ ቀዳም 6 ሕዳር 2012 ዓ\/ም ብድምፂ ኣሕሊፉዎ።ህወሓት ግን ከም ውድብ ነቲ ውህደት ነፂጉዎ’ሎ። ቀዳም ኣብዝተኻየደ ኣኼባ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ዘሰክፍ ናይ ሰላም፣ፀጥታ፣ድሕንነትን ምምዝባል ህዝብን ዝምልከትን ኣዋርሕ ብዛዕባ ዝተረፎ ሃገራዊ ምርጫ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ይገብር ሰልዘየለ ቀዳምነት ክውሃቦም ካብዘለዎም ሰለስተ ኣጀንዳታት ህውሓት እንተቕረበ እውን ብዛዕባ ምውሃድ ፓርታት ክንዘራረብ ኣለና ዝብል ኣጀንዳ ብድምፂ ከምዝሰዓረ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ህወሓት ኢህወዴግ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም። ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ሕገ ደንብን ውሁድ ፓርቲ ኣብዘይቐረበሉ ኣኼባ ብምንታይ ዕላማታት ክንውሃድ ንኽእል ዝብል ሕቶ ብቕራብን ሓውን ሓሰርን ኮንኻን ናይ ዕላማ ሓድነት ከይሓዝካን ምውሃድ ዘይክኣል እዩ ብዝብል ህወሓት ኣቐዲሙ ብመሰረት ዝሓዞ መርገፂ ኩሎም ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኸቡ ኣባላት ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ህወሓት ከምዝተቓወምዎ ኣቶ ጌታቸው ወሲኾም ገሊፆም። ኢህወዴግ ብኣተሓሳስባ ደረጃ ኣብ ናይ ሕድ ሕድ ዕለት ሃልኪ ፕሮፕጋንዳ ተፀሚዱ ስለዘሎ ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ኣይክኣልን፤የአለን ብወግዒ ግን ኣይፈረሰን ኢሎም ኣቶ ጌታቸው።ብዛዕባ መፃኢ ዕድል ህውሓት ዝተሓተቱ ኣቶ ጌታቸው ‘’ዕድል ህውሓት ብኣባላታ፣ብደገፍታ፣ብመራሕታን ብህዝቢ ትግራይ እዩ ዝውሰን’’ ኢሎም። ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/members-of-tplf-executive-committee-getachew-reda-on-eprdf-merger\/5172661.html"} {"headline":"ምዝገባ መረፅቲ ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ተዛዚሙ","content":"ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ምዝገባ መረፅቲ ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ብሰላማዊ ምዝዛሙ ገሊጹ::እቲ ትካል ወሲኹ ኣስታት 2.3 ሚሊዮን መረፅቲ ከምዝተመዝገቡ ተሓቢሩ’ሎ:: ኣካቢት ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ወ\/ሪት ብርቱካን ሚደቅሳ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኦ መግለጺ ምዝገባ መረፅቲ ብሰላማዊ መንገዲ ከምዝተዛዘመን ነቲ ከይዲ ድማ ሰራዊት ምክልኻል: ፌደራል ፖሊስን ሓይልታት ፀጥታ እቲ ክልል ልዑል ግደ ምምርካብቶም ሓቢረን:: ወይዘሪት ብርቱካን ካብ 27 ጥቅምቲ ክሳብ 6 ሕዳር 2012 ዓ.ም ዝተኻየደ ምዝገባ መረፅቲ ኣስታት 2.3 ሚሊዮን መረፅቲ ተመዝጊቦም ኢለን:: እቲ ቦርድ ምርጫ ኣብ ከይዲ እቲ ምዝገባን ካልኦት ስራሓት ህዝበ ውሳነ ህዝቢ ሲዳማ ጥርዓን ምስ ዝነበሮም ኣካላትን ምስቲ ቦርድ ዘተ ምስ ዝደልዩን ከምዝተመያየጡ ገሊፀን። ኣብ ጉዳይ ምምሕዳር ዶባት ዝምልከት ቅድሚ ሐጂ ጎንፂ ኣብ ዝነበሮም ኣብ ወንዶገነትን ባሌላ ዝተባህሉ ከባቢታት ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይምርድዳእ ምስ ተዋሰንቲ ወረዳታት ክልል ኦሮምያን ዞባ ሲዳማን ከምዝተዘተየ ተዛሪበን:: እተን ኣካቢት ቦርድ ከምዝገለፅኦ ካብ ምርጫ ጣብያ ከባቢ 200 ሜትሮ ርሒቖም ክንቀሳቐሱ ዝፍቀደሎም ኣካላት ኣመራርሓ መንግስቲ: ሽማግለ ዓድን ኣባላት ፖሊስን ኣብ ጣብያታት ምርጫ ተራእዮም ምንባሮም እዚ ድማ ክእረም ገይርና ኢና ክብላ ተዛሪበን:: ኣብ ጣብያታት ምርጫ ክርከቡ ዝፍቀደሎም ወከልቲ ክልቲአን ምልክታት: ኣፈፀምቲ : ምርጫ ተዓዘብትን ጋዜጠኛታት ጥራሕ ምኳኖም ገሊፀን:: እተን ኣካቢት ቦርድ ምርጫ ወሲኸን ካርድ ምርጫ ናብ ገዝኡ ዝወሰደ ኣፈፃሚ ምርጫ ካብ ስራሕ ከምዝተሰናበተን ካልእ ድማ መዝገብ መረፅቲ ክሓብእ ዝፈተነ ፈፃሚ ምርጫን ብተወሳኺ እውን ስራሕ ተዓዘብቲ ዝረበሸን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ብምእታው ምርመራ ይካየደሎም ኣሎ ኢለን:: እቲ ቦርድ ልዑል ተመዝገብቲ ዝተርኣየሎም ከባቢታት ብምፍላይ ኣብ መዓልቲ ምርጫ 175 ሓደሽቲ ጣቢያታት ከጣይሽ እዩ ክብላ ገሊፀን:: ፅባሕ እቲ ህዝበ ውሳነ ኣብ ዝካየደሉ እዋን መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮን ውልቀ ትካላትን ዕጽው ክኾኑ እዮም ተባሂሉ:: ንመረፃ ዘድልዮ ናውቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ብሰራዊት ምክልኻል ተዓጂቡ ትማሊ ናብ ሲዳማ ምጉዕዓዝ ከምዝጀመረ’ውን ወይዘሪት ብርቱካን ሚዴቅሳ ገሊፀን:: ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%89%A3-%E1%88%98%E1%88%A8%E1%8D%85%E1%89%B2-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A0-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%88%B2%E1%8B%B3%E1%88%9B-%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%99\/5172307.html"} {"headline":"ሁራ ሰለስተ መለለዪ ባህላዊ ፀወታ ኣፀቢ ወምበርታ","content":"ባህላዊ ፀወታ ሁራ ሰለስተ ኣጻብዕቲ ኣብ ዝተፈላለዩ አጋጣሚታት ብፍላይ ድማ ኣብ መርዓን በዓላትን ኣዘውቲሮም ዝፃወትዎ እዩ። ብርክት ዝበሉ መዐጀኒ ናውቲ እኳ እንተሃለዉዎ ቀንዲ መሳርሒ ባህላዊ ፀወታ ሁራ ሰለስተ ግን እግሪ እዩ ይብሉ መምህር ሳሙኤል ረድኢ። መምህር ሳሙኤል ረድኢ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ኮሌጅ ሕብረተሰብ ሳይንስን ቋንቋታትን መምህር ሙዚቃን ስነ ጥበብን እዮም። ሁራ ሰለስተ ኣመልኪቱ ምስ መምህር ሳሙኤል ዝተኻየደ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%81%E1%88%AB-%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%88%88%E1%88%88%E1%8B%AA-%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%8D%80%E1%8B%88%E1%89%B3-%E1%8A%A3%E1%8D%80%E1%89%A2-%E1%8B%88%E1%88%9D%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B3\/5168090.html"} {"headline":"3 ሚልዮን(70%) ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ክታበት ጸረ ሕማም ኣንቅጺ ከምዝረክብ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ ወፍሪ ክታበት ጸረ-ሕማም ኣንቅጺ ሎሚ ብወግዒ ተጀሚሩ`ሎ። ጎኒ ንጎኒ`ውን ንሕጻናት ቫይታሚን `A` ይዕደል ኣሎ። ኣብ`ዚ ካብ ሎሚ 15 ሕዳር ክሳብ 31 ሕዳር ንክልተ ሰሙናት ዝቕጽል ወፍሪ፡ ካብ 1-30 ዝዕድሚኦም 3 ሚልዮን ሰባት ክታበት ጸረ-ሕማም ኣንቅጺ ከም ዝረኽቡ፡ ሓላፊ ሸፈነ ክታበት ኣቶ ቴድሮስ ይሕደጎ ንንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጹ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95(70-)-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8D%E1%88%BD%E1%8C%A2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%88%99%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%89%B3%E1%89%A0%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%88%A8-%E1%88%95%E1%88%9B%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%89%85%E1%8C%BA-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%8A%AD%E1%89%A5-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5167999.html"} {"headline":"ቀ\/ ሚ ኣብይ ኣሕመድ ላዕለዎት ደረጃ ትምህርቲ ክረጋግኡ እንተዘይክኢሎም ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ከምዝወስዱ ኣፍሊጦም","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ መራሕቲ ክልላት፣ ዞባታት፣ ምምሕዳራት ከተማታትን እቲ ሕብረተሰብን ንላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ናብ ምርግጋእ ዘይመልሱወን እንተኾይኖም ክሳብ ምዕፃው ዝበፅሕ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ኣጠንቂቖም። “ክባረሩ ዝግብኦም 10 ሰባት እንተኾይኖም 10 ሰባት፣ን20 ሰባት ክነወግድ እንተኾይንና ን20 ሰባት፣ፈፂሙ ዝህውኸና እንተኾይንኑ ግን ነቲ ዩኒቨርስቲ ክሳብ ምዕፃው ናይ ምኻድ ስጉምቲ ክንወስድ ንኽእል ኢና።እዚ ከይኸውን ምምሕዳራት ከተማ፣እቲ ማሕበረሰብ ብሓላፍነት ክሰርሕ ኣለዎ።” ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ነዚ ዝተዛረቡ ሚንስትር ሳይንስን ላዕለዋይ ትምህርትን እዋናዊ ኩነታት ዩንቨርስታት ብዝምልከት ንመራሕቲ ቦርድ ዩኒቨርስታት፣ናይ ዩኒቨርስቲ ፕረዚዳንታትን ሚንስትራትን ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ እዮም ።ኣብ ዩኒቨርስቲታት ፀገም ይፈጥሩ ኣብ ልዕሊ ዘለው ተማሃሮ መንግስቲ ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝወስድ እውን ገሊፆም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%89%B5-%E1%8B%B0%E1%88%A8%E1%8C%83-%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%A8%E1%8C%8B%E1%8C%8D%E1%8A%A1-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8A%AD%E1%8A%A2%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%8C%BB%E1%8B%8D-%E1%88%B5%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%88%B5%E1%8B%B1-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A6%E1%88%9D\/5167983.html"} {"headline":"ኢዜማ ንናይ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ምንቅስቓሱን እዋናዊ ኩነታት ናይታ ሃገርን ብዝምልከት መብርሂ ሂቡ","content":"ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ\/ኢዜማ\/ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ምንቅስቓሱን እዋናዊ ኩነታት ናይታ ሃገርን ብዝምልከት መብርሂ ሂቡ። ኢዜማ ኣብ መግለጺኡ ንዝሓለፉ 27 ዓመታት መንነት መሰረት ዝገበረ ፖለቲካዊ ስርዓት ነጊሱ ምፅንሑን ንዝሓለፈ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ግን እታ ሃገር ኣብ ጎደና ለውጢ ከም እትርከብን ሓቢሩ’ሎ።ኢትዮጵያዊያን ንልዕሊ 50 ዓመታት ዝተቓለስሉ ለውጢ መንገዱ ንምስሓት ገለ ሓላፍነት ዘይስምዖም ወገናት ይሰርሑ ኣለው ይብል። ኢዜማ ነቲ ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ኣመንትን ትካላት እምነትን ዝተፈፀሙ መጥቓዕትታት ነቲ መስርሕ ስግግር ንድሕሪት ዝጎትት እዩ ክብል ኮኒኑዎ’ሎ። ብቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ይውሰዱ ኣለው ንዝበሎም ስጉምታት ዝነኣደ ኢዜማ መንግስቲ ግጭታት ዝቐስቀሱ ሓይልታት ናብ ሕጊ ከቕርቦም ሓቲቱ። መራሒ ኢዜማ ፕ ሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ምርጫ ብዝምልከት ዘለዎ መርገፂ ክገልፁ ከለው ከምናቶም ድልየትን ቅዋምን እንተዝኸውን እዚ ምርጫ በቲ ተታሒዙሉ ዘሎ ናይ ግዜ ሰሌዳ ክካየድ ኣይነበሮን፤እንተተኻይዱ ግን መንግስቲ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ኣለዎ ኢሎም። “እቲ ምርጫ ክካየድ እንተኾይኑ መንግስቲ ኣብ መስርሕ ምርጫ ሰላምን ፀጥታን ከረጋግፅ ሓላፍነቱ ክዋጻእ ኣለዎ።ነፃ፣ሚዛናውን ተኣማንን ምርጫ ንምክያድ ዘኽእሉ ኣገደስቲ መሓውራት ኣብ ቦቱኦም ክህልው ኣለዎም።” ሓላፍነቱ ዘይዋፃእ እንተድኣ ኮይኑ ግን እታ ሃገር ናብ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ዘይኮነ ናብ ቀፃሊ ዕግርግር ዝወስዳ እዩ ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%8B%9C%E1%88%9B-%E1%8A%95%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%88%88%E1%8D%88-%E1%88%92%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%B5%E1%89%93%E1%88%B1%E1%8A%95-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%8B%AD%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%82-%E1%88%82%E1%89%A1\/5167962.html"} {"headline":"መራሕቲ ሲኖዶስ ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ኤርትራ: ብዛዕባ ኩነታት ፓትሪያርክ እንጠንዮስ ዝሃብዎቃለ-መጠይቕ -2ይ ክፋል","content":"ካብ ኤርትራ መጺኦም ኣብ`ዚ ኣብ ኣሜሪካ ዑደት ክገብሩ ዝቐነዩ መራሕቲ ሲኖዶስ ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ኤርትራ: ብዛዕባ ኩነታት ፓትሪያርክ እንጠንዮስ ንድምጺ ኣሜሪካ ሰፊሕ ቃለ-መጠይቕ ሂቦም-ካልኣይ ክፋሉ ሎሚ ቀሪቡ`ሎ። ኣብ`ዚ ኣብ ኣሜሪካ ዑደት ክገብሩ ዝቐነዩ መራሕቲ ሲኖዶስ ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ኤርትራ: ብዛዕባ ኩነታት ፓትሪያርክ እንጠንዮስ ንድምጺ ኣሜሪካ ሰፊሕ ቃለ-መጠይቕ ይህቡ። እቲ ብዋና-ጸሓፊ ሲኖዶስ ብጹዕ ኣቡነ ሉቃስ ዝምራሕ ሰለስተ ኣባላት ዘለዎ ልኡኽ፡ እቶም ፓትሪያርክ ዘለውዎ ኩነታት ብማሕዩር ኮነ ብማእሰርቲ ደረጃ ክግለጽ ዝግባእ ኣይኮነን ኢሎም። ንሳቶም ነዚ ምላሽ ዝሃቡ፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ`ዚ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ፡ ፓትርያርክ ካብ ማሕዩር ወጺኦም ናብ ስልጣኖም ይመለሱ ዝብል ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ድሕሪ ምክያዱ`ዩ። No media source currently available ምስ ብጹዕ ኣቡነ ዮውሃንስ፡ ሊቀ-ጳጳስ ሃገረ ስብከት ድባርዋን ጋሽ-ባርካን፡ ብጹዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና-ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ከምኡ`ውን ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ፡ ሊቀ-ካህናት ሳሙኤል ጸጋይ ምኽትል ዋና-ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ዝተኻየደ ቃለ-መጠይቕ ካልኣይ ክፋል ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%88%B2%E1%8A%96%E1%8B%B6%E1%88%B5-%E1%89%A4%E1%89%B0-%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A6%E1%88%AD%E1%89%B6%E1%8B%B6%E1%8A%AD%E1%88%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%A5%E1%8B%9B%E1%8B%95%E1%89%A3-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8D%93%E1%89%B5%E1%88%AA%E1%8B%AB%E1%88%AD%E1%8A%AD-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%8C%A0%E1%8A%95%E1%8B%AE%E1%88%B5-%E1%8B%9D%E1%88%83%E1%89%A5%E1%8B%8E%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95--2%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%8D%8B%E1%88%8D-\/5164727.html"} {"headline":"ህንጸት 134 ኪ.ሜ በዓል ክልተ መስመር ቅጥራን ጽርግያ ኣስመራ -ሓበላ-ኣቑርደት ብወግዒ ተጀሚሩ","content":"ካብ ከባቢ ኣስመራ ዓዲ-ጓዕዳድ ክሳብ ኣቑርደት ዝዝርጋሕ ንዞባታት ማእከልን ጋሽ ባርካን ዘራኽብ 134 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ናይ ቅጥራን ጽርግያ ቀዳማይ ክፋሉ ብወግዒ ተጀሚሩ። ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ሻባይት ኣብ ገጻቱ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ እዚ ብቻይናዊ ኩባንያ ‘ስፌኮ’ ዝስራሕ ዘሎ በዓል ክልተ መስመር ጽርግያ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ክዛዘም ትጽቢት ይግበረሉ። እቲ ካብ ኣስመራ ንከተማ ከረን ቆሪጹ ንዞባ ጋሽ ባርካ ዝኣትው ጽርግያ ጽበትን እርጋንን ስለዘለዎ፡ንተሽከርከርቲ የጸግም ከምዘሎ ብምሕባር፡እዚ ሕጂ ዝብገስ ዘሎ ደርጅኡ ዝሓለወ ናይ ቅጥራን ጽርግያ ነቲ ጸገም ዝፈትሕን ነቲ ርሕቐት’ውን ብ20 ኪ፡ሜ ዝጉድልን ከምዝኮነ ተገሊጹ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8A%95%E1%8C%B8%E1%89%B5-134-%E1%8A%AA-%E1%88%9C-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AD-%E1%89%85%E1%8C%A5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8C%BD%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB--%E1%88%93%E1%89%A0%E1%88%8B-%E1%8A%A3%E1%89%91%E1%88%AD%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%88%E1%8C%8D%E1%8B%92-%E1%89%B0%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9\/5164667.html"} {"headline":"ኣብ ባግዳድን ከባቢኣን ሃዲኡ ዝቐነየ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ሎሚ ምቕጻሉ ተገሊጹ","content":"ኣብ ዋና ከተማ ዒራቕ ባግዳድን ከባቢኣን ፀረ መንግስቲ ተቓውሞ ሎሚ ረቡዕ ተኻይዱ።እዚ ዝኸውን ዘሎ መንግስቲ ዒራቕ ንሰሙናት ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት መልሲ ክህብ ኣብ ፀቕጥታት ኣብ ዝግበረሉ ዘለሉ እዋን እዩ። ሓይልታት ፀጥታ ኣብ ባግዳድን ካልኦት ቀንዲ ከተማታትን ብዘካየድዎ ማእሰርቲ ንሒደት መዓልታት ህድእ ኢሉ ዝነበረ ሰልፊታት ሎሚ ረቡዕ ብዝለዓለ ደረጃ ከምዝተኻየደ ተፈሊጡ። ሰልፈኛታት ኣብ ባግዳድ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ ዘንብዕ ጋዝ ድሕሪ ምድርባዮም ኣስታት 800 ዝኾኑ ተማሃሮ ናብ ከተማ ባስራ ብበተንቲ ኣድማ ፖሊስ ከምዝተደፍኡ ተገሊፁ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%A3%E1%8C%8D%E1%8B%B3%E1%8B%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%8A%A3%E1%8A%95-%E1%88%83%E1%8B%B2%E1%8A%A1-%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%8A%90%E1%8B%A8-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%88%9E-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%8C%BB%E1%88%89-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5164599.html"} {"headline":"ኣብ ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ንምስታፍ 2 ሚልዮን ሰባት ምምዝጋቦም ተገሊጹ","content":"ዋና ከተማ ክልል ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ ዝኾነት ከተማ ሃዋሳ ንቡር ሰላማ ይምለስ ከምዘሎ ምኽትል ከንቲባ እታ ከተማ ኣቶ ጥራቱ በየነ ገሊፆም። ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ብዘይ ፀገም ክዛዘም እኹል ምድላው ከምዝተገብረ እውን ሓቢሮም። ብኻልእ ወገን ኣብ ውሳነ ህዝቢ ሲዳማ ዝሳተፉ 2 ሚሊዮን ሰባት ከምዝተመዝገቡን እቲ ከይዲ እውን ሰላማዊ ብዝኾነ ኣገባብ ይካየድ ከምዘሎን ኮሚሽን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኣብ ክልል ደቡብ ፀጥታ ብምህዋኽን ብዝተፈላለዩ ገበናትን ካብ ዝተጠርጠሩ 129 ሰበ ስልጣን መንግስቲ እቶም 117 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም መራኸቢ ብዙሃን መንግስቲ ገሊጸን ኣለዋ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A0-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%88%B2%E1%8B%B3%E1%88%9B-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%8D%8D-2-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8C%8B%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5164583.html"} {"headline":"ኣብ ደምቢዶሎ ዩኒቨርሲቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ግጭት ምርግጋኡ ፕረዚደን’ቲ ዩኒቨርሲቲ ገሊጾም","content":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዩኒቨርስቲ ደምቢ ዶሎ ተፈጢሩ ዝነበረ ናይ ተማሃሮ ግጭት ምርግጋኡ ናይቲ ዩኒቨርስቲ ፕረዚደንት ዶክተር ለታ ተስፋየ ገሊፆም። ብቕድሚ ትማሊ ሶኑይ ሓደ ተማሃራይ እቲ ዩኒቨርስቲ መንነቱ ብዘይተፈልጠ ውልቀሰብ ከምዝተቐትለ ዶ\/ር ለታ ተዛሪቦም ኣለው። ኣብ ዩኒቨርስቲ መቱ እውን ተማሃሮ ትምህርቶም ክጅምሩ ልዝብ ምክያዱ ተገሊጹ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%B0%E1%88%9D%E1%89%A2%E1%8B%B6%E1%88%8E-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%89%A8%E1%88%AD%E1%88%B2%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%A2%E1%88%A9-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%8C%8B%E1%8A%A1-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95-%E1%89%B2-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%89%A8%E1%88%AD%E1%88%B2%E1%89%B2-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/5164572.html"} {"headline":"ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወልድያ ዘጋጠመ ቕትለት ተማሃሮ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲታት ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ","content":"ሎሚ ቅነ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ወልድያ ዩኒቨርሲቲ ንዘጋጠመ ሞት ተማሃሮ ብምኹናን ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ወልድያ ዩኒቨርሲቲ ተኻይዱ፡ሰልፈኛታት ተሓተቲ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ’ውን ሓቲቶም ኣለው። ብተመሳሳሊ ተማሃሮ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝርከባ ዩኒቨርሲቲታት ሰላማዊ ሰልፊን ናይ መግቢ ምህሳም አድማ አካይዶም ኣለው። ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝርከቡ ተማሃሮ ደሕንነት ንምሕላው’ውን ምስ ክልል ኣምሓራ ይሰርሑ ከምዘለው ምክትል ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ክልል ኦሮምያ ገሊጾም ኣለው። ኣብቲ ካብ ቀዳማይ ደረጃ ክሳብ መሰናድኦ ዘለው ተማሃሮ፡ ሰራሕተኛ ትካላት መንግስቲ፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ነበርቲን ዝተኻፈልሉ ናይ ሎሚ ሰላማዊ ሰልፊ ቅትለት ተማሃሮ ብምኹናን ንሓድነት መጸዋዕታ ዝተመሓለለፈሉ’ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%89%A8%E1%88%AD%E1%88%B2%E1%89%B2-%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%8B%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%89%95%E1%89%B5%E1%88%88%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%83%E1%88%AE-%E1%88%B5%E1%8B%92%E1%89%A1-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%AB-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%89%A8%E1%88%AD%E1%88%B2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8A-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/5163171.html"} {"headline":"ከተማ አዲስ አበባን ዋሽንግተን ዲሲን ስምምዕ አሓት ከተማታት አሓዲሰን","content":"ከንቲባ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ሙርያል ባውሰል ኣብ አዲስ አበባ ዑደት ጌረን’ለዋ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ሓድሽ ኩነታት ፖለቲካ ነቲ ስምምዕ ዝያዳ ንምትግባሩ ሓጋዚ’ዩ ኢለን። ከንቲባ ባውሰል 70 አባላት ዝሓዘ ጉጅለ ብምምራሕ’የን አዲስ አበባ ከይደን። እዚ ኣብ መንጎ አዲስ አበባን ዋሽንግተን ዲሲን ዝተፈረመ ስምምዕ አሓት ከተማታት ነቲ ንዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ዝጸንሓ ዘሓድስ’ዩ።ንዑደት ናብ አዲስ አበባ ዝኸዳ ከንቲባ ዋሽንግተን ዲሲ ሙርያል ባውሰል ምክትል ከንቲባ ከተማ አዲስ አበባ ታከለ ኡማ ትማሊ ነቲ ስምምዕ ፈሪሞም ኣለው። No media source currently available ኣብቲ ስነ ስርዓት ዝተዛረቡ ምክትል ከንቲባ አዲስ አበባ ታከለ ኡማ ነቲ ጉጅለ ልኡካት ኣመስጊኖም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3%E1%8A%95-%E1%8B%8B%E1%88%BD%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%89%B0%E1%8A%95-%E1%8B%B2%E1%88%B2%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%8A%A0%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A0%E1%88%93%E1%8B%B2%E1%88%B0%E1%8A%95\/5163069.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ሒዛቶ ዘላ ጉዕዞ ለውጢ ክዕወት ሓገዝ መሻርክታ ከምዘድልያ ኣምባ.ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ገሊጾም","content":"ኢትዮጵያ ተታሓሒዛቶ ዘላ ጉዕዞ ለውጢ ንክዕወት ናይ መሻርኽታ ሓገዝ ከምዘድልያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክ ሬይነር ገሊጾም። ኣምባሳደር ሬይነር ነዚ ዝበሉ ኣብ አዲስ አበባ ምብጻሕ ይገብራ ንዘለዋ ከንቲባ ከተማ ዋሽንግተን ከንቲባ ኣብ ዝተዳለወ ናይ መቐበሊ እንግዶት’ዩ። ንሶም “ልኽዕ ከምቲ ካብቲ ዘገርም ታሪኽ ርክብ ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ኹሉ መጻኢ እዛ ዓባይ ሃገር ዝያዳ ዘሓጉስ’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመትን ፈረቃን ኢትዮጵያ ኣብ መዳያት ቁጠባ ፖለቲካንን ዝተዋደዱ ዝተሳለጡን ዘገርሙን ኣወንታዊ ምምሕያሻትን ስጉምቲታንት ወሲዳ’ላ። እዞም ምምሕያሻትን ስጉምቲታት ንኢትዮጵያ እንደገና ይፈጥርዋ ኣለው።” ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%92%E1%8B%9B%E1%89%B6-%E1%8B%98%E1%88%8B-%E1%8C%89%E1%8B%95%E1%8B%9E-%E1%88%88%E1%8B%8D%E1%8C%A2-%E1%8A%AD%E1%8B%95%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%88%98%E1%88%BB%E1%88%AD%E1%8A%AD%E1%89%B3-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%B5%E1%88%8D%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/5161601.html"} {"headline":"ማእከል ምርምር ሕርሻ መቐለ ሓሙሽተ ሓደሽቲ ውፅኢት ምርምር ናብ ሓረስታይ ኣባፂሑ","content":"ማእከል ምርምር ሕርሻ መቐለ ሓሙሽተ ሓደሽቲ ውፅኢት ምርምር ናብ ሓረስታይ ኣባፂሑ። ማእከል ምርምር ሕርሻ መቐለ ኣብ 11 ወረዳታት ዞባታት ምብራቅን ደቡብ ምብራቅን ከምዝሰርሕ ይፍለጥ። ማእከል ምርምር ሕርሻ መቐለ ቀንዲ ዋኒኑ ንደረቕ ኩነታት ኣየር ዘለዎም ከባቢታት ትግራይ ዝኮኑ ሓደሽቲ ምህዞታት እናምፀእካ ናብ ሓረስታይ ምቅራብ ምኳኑ ዳይረክተር እቲ ማእከል ሓቢሮም። ኣይተ ኣለማት እምባየ ተመራማሪ ክንክን ዘራእትን ዳይረክተር ማእከል ምርምርን መቐለ እዮም። ንሶም ማእከል ምርምር ሕርሻ መቐለ ኣብዚ ዓመት ናብ ተጠቀምቲ ዘብጸሖም ሓደሽቲ ውፅኢት ምርምራት ኣመልኪቶም ኣዋጊዖሙኒ ኣለዉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይከኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%9D%E1%88%AD-%E1%88%95%E1%88%AD%E1%88%BB-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%88%93%E1%88%99%E1%88%BD%E1%89%B0-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%88%BD%E1%89%B2-%E1%8B%8D%E1%8D%85%E1%8A%A2%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%9D%E1%88%AD-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%93%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%8D%82%E1%88%91\/5161568.html"} {"headline":"ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ መጥቓዕቲ ንምቅዋም ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ","content":"No media source currently available እቲ ሰልፊ ሰናይ ፍቓደኛታት ዘዳለውዎ ኮይኑ \"ይኾኖ\" ዝብል መሪሕ ቃል እዩ ተኻይዱ:: No media source currently available","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8B%B0%E1%89%82-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AE-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%8C%BD%E1%88%95-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%85%E1%8B%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B0-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8A-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A\/5161555.html"} {"headline":"ኣብ ዪኒቨርስቲ ወልዲያ ኣብ መንጎ ተማሃሮ ብዝተልዓለ ግጭት 2 ተማሃሮ ምሟቶም ተፈሊጡ","content":"ብቕድሚ ትማሊ ብቐዳም ኣብ ዪኒቨርስቲ ወልዲያ ኣብ መንጎ ተማሃሮ ብዝተልዓለ ግጭት ክልተ ተማሃሮ ከምዝተቐትሉን ኣብ ልዕሊ 10 ተማሃሮ ድማ ጉድኣት ከምዝወረደን ተፈሊጡ።ፖሊስ ክልል ኣምሓራ መንቀሊ ናይቲ ግጭትን ፈፀምቲ ናይቲ ገበንን የጻረ ከምዘሎን፤ ተሓተቲ ናብ ሕጊ ከምዝቐርቡን ገሊጹ’ሎ። ሓላፊ ፖሊስ ዞባ ሰሜን ወሎ ኮማንደር ሃብታሙ ሲሳይ ብዛዕባ እቲ ግጭት ከምዚ ኢሎም። “ትማሊ ካብ ምሸት ሰዓት ኣርባዕተ ፈረቓን ጀሚሩ ፀዋታ ኩዕዞ እግሪ DSTV ክርእዩ ጸኒሖም ክወፁ ከለው ኣብ መንጎ ተማሃሮ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ግጭት ተላዒሉ ህይወት ክልተ ሰባት ጠፊኡ’ሎ።ቀሊልን ማእኸላይ ጉድኣት ዝወረዶም ድማ ተሓኪሞም ዝተመልሱ ኣለው።” ምስቶም ዝተቐትሉ ዝቀራረቡ ተማሃሮ ኣብዝሃብዎ ርእይቶ ግን እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ናይ ተማሃሮ መሕደሪ ክፍሊ ከምዝተፈፀመ ሓቢሮም። ናይ ክልል ኣምሓራ ኮሚሽነር ፖሊስ ኣበረ ኣዳሙ ጉዳት ዘውረዱ ሰባት መርሚሩ ናብ ፍርዲ ዘቕርብ ግብረ ሓይሊ ምጥያሹ ገሊፆም ኣለው።ተሳተፍቲ ተባሂሎም ዝጥርጠሩ እውን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ይኣትው ከምዘለው ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ኣቶ ጌትነት ይርሳው ትማሊ ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ሓቢሮም። ብዝተኣሳሰረ ዜና ምኽትል ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብ ዘውፅኡዎ መግለፂ ገለ ፖለቲካዊ ውድባት ብሓፂር መንገዲ ስልጣን ንምሓዝ ነቲ ህዝቢ እናጨነቕዎ እዮም፣ኩነታት እናመረፁ ግጭትታ ክጋፋሕ እውን እናሰርሑ ይርከቡ ክብሉ ከሲሶምዎም።መንነት ናይቶም ውድባት ግን ኣይገለፁን። ኣማሲዩ ብዝበፅሐና ዜና ከይዲ ምምሃር ምስትምሃርእቲ ዩኒቨርስቲ ናብ ንቡር ንምምላስ ፃዕሪ ይኻየድ ምህላው እቲ ዩኒቨርሲቲ ገሊፁ። ተማሃሮ ብሓይልታት ፀጥታ ተዓፊኖም ተወሲዶም ዝብል ኣብ ማሕበራዊ መሓውራት ዜና ይዝርጋሕ ብዛዕባ ዘሎ ሓበሬታ ዝተሓተተ ፖሊስ ዞባ ሰሜን ወሎ በቲ ግጭት ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፖሊስ ካብ ዝርከቡ ወፃኢ ተዓፊኑ ዝተወስደ ዋላ ሓደ ሰብ የለን ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%AA%E1%8A%92%E1%89%A8%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%8B%B2%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8E-%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%83%E1%88%AE-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%8D%E1%8B%93%E1%88%88-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-2-%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%83%E1%88%AE-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5161518.html"} {"headline":"ፀብፃብ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝተኻየደ ናይ ኤርትራዊያን ሰላማዊ ሰልፊ","content":"ካብ ዝተፈላለያ ክፈለ ግዝኣታት ዩናይትድ ስቴትስ ዝተኻኸቡ ኣማእቲ ኤርትራዊያንን ኤርትራዊያን ኣሜሪካዊያንን ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ብጹእ ወ ቅዲስ ኣቡነ ኣንጠንዮስን ካልኦት ናይ እምነትን ፖለቲካን እሱራት ዝበሉዎም ንክፍትሑ ብምሕታት ዝሓለፈ ዓርቢ 8 ሕዳር 2019 ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም ኣለው። \"መቓውሐይ ዘክሩ!\" ብዝብል መሪሕ ጥቕሲ፡ ብመንበረ ጵጵስና ኣህጉረ-ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ ዝተጸውዐ ሰልፊ ስለ እምነቶም ዝተኣስሩ ክርስቲያንን እስላምን፥ ሰበ- ሥልጣንን ሲቪል ጋዜጠኛታትን፡ ካልኦትን ብዘይ ቅድመ ኵነት ብህጹጽ ኽፍትሑ ንምፃዋዕ እዩ ይብሉ ኣተሓባበርቲ ናይቲ ሰልፊ። ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ድምፆም ምስማዕ ዝጀመሩ እዞም ሰልፈኛታት ዝተፈላለዩ ጭርሖታት እናስምዑ ናብ ካፒቶል ሂል ብምኻድ መራሕቲ ኣብያተ ክርስቲያን መደረታት መደረታት ኣስሚዖም። መልእኽታቶም ብፅሑፍ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራን ኮንግረስ ዩናይትድ ስቴትስን ከምዘቕረቡ እውን ካብ ኣተሓባበርቲ ሓደ ዲያዎን ዕቑበ ዘመደ ገሊፆም። ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ሪኢቶ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን። ምሉእ ትዝትኡ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/erirean-coming-from-different-states-protested-in-the-white-house-and-the-capitol\/5161385.html"} {"headline":"ሰልፊ ኤርትራዊያን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ","content":"ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝተአኻከቡ ኤርትራዊያን ሎሚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ሰላማዊ ሰልፊ አካይዶም:: ሰልፈኛታት ኣብ ናይ ገዛ ማህዩር ንዝርከቡ ፓትሪያርክ ኣንጦንዮስን ኹሎም እሱራት ሕልና ዝበልዎም ኤርትራዊያን ክፍትሑ ድምጾም ኣድሚዖም ኣለው:: No media source currently available ንአቦና ኣንጦንዮስ ቅዱስ አቦና ነጻ ልቐቅዎምም ንኹሎም ኤርትራዊያን እሱራት ሕልና ፍትሕዎም መንግስቲ ኤርትራ ናጽነት ሃይማኖት ከኽብርን ዝብሉን ካልኦት ጭርሖታት ብምሓዝ እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ፊት ንፊት ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስን ካፒቶል ሂል ማለት ቤት ምኽሪ መንግስቲ ኣሜሪካ ድምጾም ኣስሚዖም ኣለው:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8B%E1%88%BD%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%89%B0%E1%8A%95-%E1%8B%B2%E1%88%B2\/5158735.html"} {"headline":"ውድብ ባይቶና መስራቲ ጉባኤ ብምክያድ ኣመራርሓ ከምዝመረፀ ገሊፁ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ዝንቀሳቐስ ውድብ ባይቶና መስራቲ ጉባኤ ብምክያድ ኣመራርሓ ከምዝመረፀ ገሊፁ:: እቲ ውድብ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ንዕብየትን ለውጥን ህዝቢ ብሃገር ቦቀል ፍልጠት ከምዝጥቀም ኣፍሊጡ:: እቲ ውድብ ክልል ትግራይ ናይ ሃገር ዝመስል መንግስቲ (ዴፋክቶ ስቴት) ክህልዋ ክቃለስ እየ ኢሉ:: ሃገራዊ ምርጫ 2012 ኣብ እዋኑ ክካየድ ዝፀወዐ ባይቶና እቲ ምርጫ እተዘይተኻይዱ መንግስቲ ክልል ትግራይ እውን ሕጋውነት ስለዘይህልዎ እቲ ክልል እውን ንምርጫ ድልው ክኸውን ይግባእ ኢሉ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%8A%93-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%89%B2-%E1%8C%89%E1%89%A3%E1%8A%A4-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8B%AB%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%AD%E1%88%93-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%88%A8%E1%8D%80-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8D%81\/5158706.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ሓንቲ ካብ ‘ጀጋኑ ዓለም’ ቴሌቭዥን CNN ወ\/ሮ ፍረወይኒ መብራህቱ","content":"መደበር ቴሌቭዥን ሲ ኤን ኤን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዘዳልዎ ‘ጀጋኑ ዓለም’ ዝብል ፕሮግራሙ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዓለም ለውጢ ንምምጻእ ዝሰርሑን ለውጢ ዘምጽኡ ውልቀሰባት ንስርሖም ኣፍልጦ ንምሃብን ነዞም ሰባት ንምትብባዕን ታሕሳስ 3 ሽልማት ክህብ’ዩ። ኣብቲ ናይ ሎሚ ዓመት ፕሮግራም ኢትዮጵያዊያት ወ\/ሮ ፍረወይኒ መብራህቱ ሓንቲ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት 10 ቀዳሞት ‘ጀጋኑ ዓለም’ ኮይና ክትርቛሕ ክኢላ’ላ። ወ\/ሮ ፍርወይኒ መብራህቱ ማርያም ሳባ ዝተባህለ ትካል ብምምስራት ዝሕጸብ ሞዴስን ፓንትን ኣብ ምፍራይ ንደቂ ኣንስትዮ ብነጻ ኣብ ምዕዳል ብዘበርከተቶ ስራሕ’ያ ናብዚ ሽልማት ክትርቋሕ ኪላ። ንሳ ብኸመይ ነዚ ትካል ንምምስራትን ነዚ ስራሕን ምምስራት ከምተበገሰት ከተረድእ ከላ ንሳ ወርሓዊ ጽግያታ ኣብ ዝጀምረትሉ እዋን ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝነበረ ኣተሓሳስባን ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝሕድሮ ዝነብረ ጸቕጢን ትዝክር። ድሒራ ንትምህርቲ ናብ ሃገረ ኣሜርካ ምስ ከደት ኣብኡ ዝረኸበቶ ዝተፈልየ ባህሊ ከምዝነበረን ኩሉ ጊዜ ኣብ ሓሳባ ዝመላለስ ዝነበረ ምንባሩ ትገልጽ። ናብ ሃገራ ምስ ተመልሰት ኣብዚ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ከተዘራርብ ኣብ ዝፈተነትሉ ድማ ብዙሕ ለውጢ ከምዘይተዓዘብት ድማ ተብርህ። ብድሕሪኡ ነቲ ዝተማሃረትሉ ሞያ ብምጥቓም ኣብ 2005 ዝሕጸብ ሞዴስ ብምፍራይ ነቲ ትካል ንምምስራት ከምዝተላዕለት ትገልጽ። ምስ ወ\/ሮ ፍረወይኒ መብራህቱ ዝተኻየደ ዕላል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%93%E1%8A%95%E1%89%B2-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8C%80%E1%8C%8B%E1%8A%91-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8B%B0%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%89%B4%E1%88%8C%E1%89%AD%E1%8B%A5%E1%8A%95-%E1%8B%88-%E1%88%AE-%E1%8D%8D%E1%88%A8%E1%8B%88%E1%8B%AD%E1%8A%92-%E1%88%98%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%88%85%E1%89%B1\/5157072.html"} {"headline":"ኣብ ኣስመራ ክካየድ ዝቐነየ መበል 23 ዓመታዊ ኣኼባ በይነ መንግስታዊ ኮሚተ ተዛዚሙ","content":"ምፍጣር ሓድሽ ዕድላት ንዞባዊ ውህዳት ብዝብል ቴማ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ኣስመራ ክካየድ ዝቐነየ መበል 23 ዓመታዊ ኣኼባ በይነ መንግስታዊ ኮሚተ ላዕለዎት ሰብ መዝን ክኢላታትን ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃ፣ መደባት ስራሕ ብምውጻእን ለበዋታት ብምሕላፍን ሎሚ ሕዳር 7 ተዛዚሙ። ቀንዲ ዕላማ ናይ`ቲ ኣኼባ ኣብ ሃገራት ምብራቅ ኣፍሪቃ ተበጺሑ ዘሎ ምዕባልን ዘጋጥሙ ብድሆታትን ብምልላይ ፣ተመጣጣኒ ዕድላት ብምፍጣር ዞባዊ ውህደት ምሕያል ከምዝኾነ ተገሊጹ`ሎ። ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ ፣እዚ ኣኼባ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተጀመረ ሰላምን ምትሕግጋዝን ስዒቡ ኣብ ኣስመራ ይካየድ ብምህላዉ ግዚኡ ዝሓለወን ቴማ ናይቲ ኣኼባ ዘንጸባርቅን'ዩ ክብሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8A%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%88%98%E1%89%A0%E1%88%8D-23-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%8A%A3%E1%8A%BC%E1%89%A3-%E1%89%A0%E1%8B%AD%E1%8A%90-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B0-%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%99\/5157015.html"} {"headline":"ምዝገባ ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ምጅማሩ ተገሊጹ","content":"ምዝገባ ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ኣብ ኩሎም ናይ ምርጫ ጣቢያታት ምጅማሩ ሓላፊት ኮሚሽን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ወ\/ሪት ብርቱኳን ሚደቅሳ ኣፍሊጠን።እቲ ምዝገባ ብፅቡቕ መንፈስ ይካይድ ከምዘሎ እውን ሓቢረን። ናይ ምርጫ ካርዶም ዝወሰዱ ወሃብቲ ድምጺ ዲሞክራሲያዊን ሕገ መንግስታዊን መሰሎም ንምፍፃም ድልዋት ኢና ኢሎም ኣለው። ንናይ ውሽጥን ወፃኢ ሃገር መሓውራት ዜና መግለፂ ዝሃባ ሓላፊት ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ወ\/ሪት ብርቱኳን ሚደቅሳ ኩሉ ናውቲ መሳለጥያታት ምርጫን ከባቢ 6,000 ኣፈፅምቲ ኣካላትን ናብ ኩሎም ናይ ምርጫ ጣቢያታት(ኑቑጣታት) ተዋፊሮም ምዝገባ ምጅማሮም ሓቢረን። “ዘተሓባብሩ ኣዋፊርና ኣለና።15 ኣተሓባበርቲ ማእኸላት ኣለውና።ነፍሲ ወከፍ ማእከል ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ወረዳታት ዝሓቖፈ እዩ።” እቲ ህዝበ ውሳነ ሰላማዊ ክኸውን እኹል ስራሕ ከምዝተሰርሐ ዝገለፃ ወ\/ሪት ብርቱዃን ብዛዕባ ገለልተኛነት ኣፈፀምቲ፣ኣብ እዋን ምርጫ ዝኽልከል ነገራትን ከምዚ ኢለን። “ኣብ ጣቢያታት ምርጫ ናይ ሕጊ ኣፈፀምቲ ወይም ዕጡቓት ሰባት ክኣትው ከምዘይብሎም ኣፈፀምቲ ይፈልጡ እዮም።ኣብ እዋን ምዝገባ ይኹን ምሃብ ድምፂ ዝተዓጠቐ ኣፈፃሚ ሓይሊ በቲ ሓዱሽ ሕጊ ብ200 ሜትሮ ክርሕቕ ኣለዎ።ቀደም 500 ሜትሮ ነይሩ።” እቲ ወፍሪ ምርጫ ኣሎ ተባሂሉ ብዘየድፍር ኩነታት ክልቲኦም ወገናት ንምክርኻር ይኹን ንጓስጓስ ዝቐረበ ኣካል የለን እውን ኢለን። ብኻልእ ወገን ተመዝጊቦም ካርዲ ዝወሰዱ ኣድመፅቲ ኣብዝሃብዎ ርእይቶ 10 ሕዳር 2012 ዓ\/ም ኣብ ዝካየድ ምርጫ ንምስታፍ ከምዝተዳለው ሓቢሮም ኣለው። እቲ ምዝገባ ክሳብ 6 ሕዳር 2012 ዓ.ም ዝፀንሕ ኮይኑ 10 ሕዳር 2012 ዓ.ም ድምጺ ምሃብ ክጅመር ትፅቢት ይግበር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%89%A3-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A0-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%88%B2%E1%8B%B3%E1%88%9B-%E1%88%9D%E1%8C%85%E1%88%9B%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5157002.html"} {"headline":"ሚንስትራት ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፡ኢትዮጵያን ሱዳንን ምስ ፕረ. ትራምፕ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም","content":"ሚንስትራት ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፡ኢትዮጵያን ሱዳንን ሎሚ ረቡዕ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራሞፕ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም። ፕረዚደንት ትራምፕ ቅድሚ ቁሩብ ሰዓታት ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ “ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝህነጽ ዘሎ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ዝኾነ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዙርያ ዘሎ ግርጭት መፍትሒ ንምንዳይ ምስ ላዕለዎት ተወከልቲ ግብጺ፡ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝተኻየደ ርኽብ ዛዚምና ኣለና። እቲ ርኽብ ዕውት እዩ ኔሩ ዘተ ጽባሕ’ውን ክቕጽል’ዩ” ኢሎም። እቲ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ፡ግብጺን ሱዳንን ዝካየድ ልዝብ ብናይ ፕረዚደንት ትራሞፕ ጻውዒት ዝካየድ ዘሎ ክከውን ከሎ ብመሪሕነት ሚንስትር ገንዘብ ኣሜሪካ ስቲቨን ሙኒቺ ከምኡ’ውን ብናይ ባንኪ ዓለም ኣተሓባባሪነት ይካየድ ምህላው ተፈሊጡ’ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%8C%BA-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%88%9D%E1%8D%95-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/5155432.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ኣዛዚ ኣፍሪኮም ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ኣዛዚ ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪካ \/ኣፍሪኮም\/ጀነራል ስቲፈን ተውሴንድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዘራሪቦም። ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክልቲ ኦም ሰበ ስልጣን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ወታደራዊ ምትሕብባርን ካልኦት ዛዕባታትን ከምዝተዘራርቡ ኣፍሊጡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%9B%E1%8B%9A-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%8A%AE%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/5155356.html"} {"headline":"ወፍሪ ምርጫ ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ትማሊ ብወግዒ ጀሚሩ’ሎ","content":"ወፍሪ ምርጫ ህዝበ-ውሳነ ሲዳማ ትማሊ ኣብ ከተማ ሃዋሳን ኣብ ካልኦት ወረዳታት ሲዳማን ክካየድ ውዒሉ። ሎሚ ረቡዕ ክጅምር ዝነበሮ ምዝገባ መረፅቲ ግን ፅባሕ ከምዝጅምር ቦርድ ምርጫ ትማሊ ኣፍሊጡ’ሎ። ምልክት “ሻፌታ’’ ዝሓዙ ዝተፈላለዩ ምልክታት ብምሓዝ ኣብ ኣደባባይ ወፍሪ ምርጫ ዘካይዱ ዘለው ሲዳማ ርእሳ ክኢላ ክልል ክትኸውን ዝደልዩ ጥራሕ እዮም።ኣካል ደቡብ ክልል ኮይና ክትቕፅል ዝደልዩ ግን ወፍሪ ከካይዱ ኣይርኣዩን ክብል ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ከተማ ሃዋሳ ሓቢሩ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%88%E1%8D%8D%E1%88%AA-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A0-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%88%B2%E1%8B%B3%E1%88%9B-%E1%89%B5%E1%88%9B%E1%88%8A-%E1%89%A5%E1%8B%88%E1%8C%8D%E1%8B%92-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9-%E1%88%8E\/5155002.html"} {"headline":"ኣብ ብሄራዊ ፓርክ ቃፍታ ሸራሮ ዝተላዕለ ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ 1500 ሄክታር መሬት ጉድኣት ምብጽሑ ተገሊጹ","content":"ኣብ ቃፍታ ሸራሮ ብሄራዊ ፓርክ ብዝተለዓለ ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ 1500 ሄክታር መሬት ኣካል እቲ ፓርክ ጉድኣት በፂሕዎ:: ልዕሊ 500 ሓራምዝ ዘለዎ እዚ ፓርክ ክሳብ ሐዚ ኣብ ልዕሊ እንስሳት ዝበፅሐ ጉዳት ከምዘየለ ምምሕዳር እቲ ፓርክ ኣፍሊጡ:: ነቲ ባርዕ ንምጥፋእ ድማ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ተገሊፁ:: ኣብ ክልል ትግራይ ብሕታዊ ዝኾነ ቃፍታ ሸራሮ ብሄራዊ ፓርክ ብቅድሚ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ብዝተፈጠረ ባርዕ ሓዊ ጉዳኣት በፂሕዎ:: መበገሲ እቲ ባርዕ ሓዊ ኣብ ውሽጢ እቲ ፓርክ \"ዘይሕጋዊ ኣለሽቲ ወርቂን ጓሶትን ዘንቀልዎ እዩ\" ክብሉ ኣተሓባባሪ እቲ ፓርክ ኣይተ ዘነበ ኣረፋይ ንድምፂ ኣሜሪካ ተዛሪቦም። ኣይተ ዘነበ ከምዝገለፅዎ እቲ ባርዕ ዛጊት 1,500 ሄክታር መሬት ኣካል እቲ ፓርክ ኣቃፂሉ ኣሎ። እቲ ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ እንስሳት ዘብፀሖ ጉድኣት ክሳብ ሐዚ የለን ዝበሉ ኣይተ ዘነበ እንተኾነ ግን ኣብ መንበርን መግብታት እቶም እንስሳት ጉድኣት በጺሑ ኣሎ ኢሎም:: ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሰባት ዓቕሞም ክንዲ ዝፈቐዶ ይከላኸሉ ከምዘለዉን ሎሚ ረቡዕ ድማ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል እቲ ሓዊ ንምጥፋእ ምስታፎም ተሓቢሩ’ሎ:: ቃፍታ ሸራሮ ብሄራዊ ፓርክ ብፈደራል መንግስቲ ዝመሓደር ኮይኑ፡ 276 ሽሕ ሄክታር መሬት ዝሽፍን እዩ:: እቲ ፓርክ ልዕሊ 500 ሓራምዝ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ እንስሳት ዝርከብሉ ምኻኑ ድማ ኣይተ ዘነበ ተዛሪቦም:: ኣምስዩ ናብቲ ከባቢ ደዊልና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከምዝሕብሮ ኣብቲ ባርዕ ሓዊ ዝተርኣየሉ ከባቢ ዝናብ ከምዝዘነበ እዩ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%A5%E1%88%84%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%8A%AD-%E1%89%83%E1%8D%8D%E1%89%B3-%E1%88%B8%E1%88%AB%E1%88%AE-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88-%E1%89%A3%E1%88%AD%E1%8B%95-%E1%88%93%E1%8B%8A-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-1500-%E1%88%84%E1%8A%AD%E1%89%B3%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%88%AC%E1%89%B5-%E1%8C%89%E1%8B%B5%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%88%91-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5154925.html"} {"headline":"ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣብ ምንታይ ብርኪ’ሎ?ኣብ ምዕራብ ሃረርጌኸ?","content":"ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ክልላት ዓፋር፣ትግራይ፣ ኦሮሚያ፣ ኣምሓራን ሶማሊያን ብሰፊሑ ይርአ’ሎ። ኣብ ደቡባዊ ዞባ ትግራይ ንዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ዕስለ ኣንበጣ ብዘይካ ክልተ ማዕልታት በብዕለቱ እናኣተወ ብዙሕ ህዝቢ እናተረባረበ ከምዝርከብ ኣማሓዳሪ ናይቲ ዞባ ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም ገሊፆም። ብዝተገበረ ምርብራብ ዛጊድ ኣብ ዘራእቲ ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ ዝሓበሩ ኣቶ ረዳኢ ካብ ተምሃሮ ቀዳማይ ብርኪ ክሳብ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ኣብቲ መኸተ ንዝገበሩዎ ፃዕሪ ንኢዶም ኣለው። ብኻሊእ ዜና ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ሃረርጌ ኣብ ኣርባዕተ ወረዳታት ኣብ ዝርከብ 17,500 ሄክታር ዝዓረፈ ዕስለ ኣንበጣ ን1,117 ሄክታር ዘራእቲ ከምጥፍአ ናይቲ ዞባ ሓላፊ ክፍሊ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣቶ ኣንስ ኣልዩ ገሊፆም። ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/locust-swarms-are-invading-the-southern-tigray-and-west-harerge-according-the-local-officials\/5153544.html"} {"headline":"14 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝሳተፍኦ ዘለዋ ናይ 3 መዓልታት ቁጠባዊ ዋዕላ ኣብ ኣስመራ ተከፊቱ","content":"14 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝሳተፍኦ ዘለዋ መበል 23 ኣኼባ በይነ መንግስታዊ ኮሚተ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ክኢላታትን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ሎሚ ሰሉስ 5 ሕዳር 2019 ኣብ ኣስመራ፡ ሆቴል ኣስመራ ፓላስ ተኸፊቱ`ሎ። እዚ ብናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ቁጠባ ኣፍሪቃ ዝተዳለወ ዋዕላ፡ ልዕሊ 250 ሰበ-ስልጣንንን ክኢላታት ማሕበረ-ሰብ ቁጠባን ዝሳተፍሉ ዘለዉ ክኾኑ ኸለዉ፡ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሓድሽ ዕድላት ዞባዊ ውህደት ንምፍጣር ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ይዝትዩ`ለዉ። ኣብቲ መኽፈት ስነ-ስርዓት መደረ ዘስመዐ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ንክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነበር ግጭት ተወጊዱ ሃገራት ናይ ተስፋ ንፋስ ከተንፍሳን ብሓባር ብምስራሕ ሰላምን ርግኣትን ተፈጢሩ ከምዘሎ ነቲ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን ዘተፈረመ ስምምዕ ሰላም ብምልዓል ተዛሪቡ። ፈጻሚት ጸሓፊ ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃ ሚስ ቬራ በግዲኣ ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ነጻ ናይ ንግዲ ርክባት ብምፍጣር 1.8 ቢልዮን ዶላር ክርከብ ከምዝከኣል፡ ን2 ሚሊዮን ሰባት ድማ ሓዲሽ ናይ ስራሕ ዕድላት ከምዝፈጥር ተዛሪባ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%89%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8B%9D%E1%88%B3%E1%89%B0%E1%8D%8D%E1%8A%A6-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8B-%E1%8A%93%E1%8B%AD-3-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%81%E1%8C%A0%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%8B%8B%E1%8B%95%E1%88%8B-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%89%B0%E1%8A%A8%E1%8D%8A%E1%89%B1\/5153490.html"} {"headline":"‘ኣለና ቴክ’ ኣብ ሓጺር ጊዜ ንብዙሓት መንእሰይ ዕድል ስራሕ ዝፈጥር ዘሎ ናይ ቴክኖሎጂ ትካል","content":"‘ኣለና ቴክ’ ኣብ ሓፂር ግዜ ፅቡቅ ለውጢ ዘመዝግብ ዘሎ ካብ ዝጣየስ ሓደ ዓመት እኳ እንተገበረ ብዕሊ ስራሕ ካብ ዝጅምር ግን 8 ኣዋርሕ ዘቑጸረ ትካል እዩ። ኣብዘን ሒደት ኣዋርሕ ንልዕሊ 40 መናእሰይ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ዝከኣለ እዩ። ምስ ፈፃሚ ስራሕ ‘ኣለና ቴክ’ ፀጋዝኣብ ሰለሙን ዝተኻየደ ዕላል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8A%93-%E1%89%B4%E1%8A%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%93%E1%8C%BA%E1%88%AD-%E1%8C%8A%E1%8B%9C-%E1%8A%95%E1%89%A5%E1%8B%99%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AD-%E1%8B%95%E1%8B%B5%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8B%9D%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%AD-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%B4%E1%8A%AD%E1%8A%96%E1%88%8E%E1%8C%82-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D\/5152264.html"} {"headline":"መደረ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ቀረባ ኣብ ክልላት ኦሮምያ፡ሃረሪን ድሬዳዋን ንዘጋጠመ ግጭት","content":"ኣብ ቀረባ ኣብ ኢትዮጵያ ክልላት ኦሮምያ፡ሃረሪን ድሬዳዋን ኣብ ዝተላዕሉ ጎንጽታት 86 ሰባት ከምዝተቀትሉ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም። እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ነዚ ዝገለጹ ትማሊ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበርዎ መደረ’ዮም። ኣብ ክልላት ኦሮምያ፡ሃረሪን ድሬዳዋን ካብ ዝተላዕለ ህውከት ህይወት ሓያለ ሰባት ዘጥፍኣን ጎንጺ ንደሓር ንፈለማ ጊዜ ትማሊ ንህዝቢ መደረ ዝገበሩ ቀ\/ሚ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብታ ኣህጉር ዘጋጥሙ ግጭታት ኹሉ ኢትዮጵያዊ ዝጎድእ’ዩ ብምባል ነቲ ጎንጺ ከም ኣብነት ብምጥቃስ ገሊጾም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8B%B0%E1%88%A8-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%80%E1%88%A8%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%88%83%E1%88%A8%E1%88%AA%E1%8A%95-%E1%8B%B5%E1%88%AC%E1%8B%B3%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-\/5152196.html"} {"headline":"ግብረ መልሲ ምሁራትን ፖለቲከኛታት ንመደረ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ","content":"ሎም ቅነ ኣብ ክልላት ኦሮሚያ፣ሃረሪን ከተማ ድሬዳዋን 86 ሰባት ዝተቐትልሉ ግጭታት ስዒቡ እቲ ጉዳይ ንምህዳእ መንግስቲ ብዝለዓለ ጥበብ ይስራሕ ከምዘሎ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ትማሊ ሰንበት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብቴሌቪዥን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ኣብ መደርኦም ጠቐምቲ ነጥብታት ምጥቓሶም ዝሓበሩ ምሁራንን ፖለቲከኛታትን ሕጋዊ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ግን ንፁር ኣንፈት ኣይተቐመጠን ኢሎም ኣለው። ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ንዝዳህሰሰ መደረ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝተኸታተሉ ተንተንትን ፖለቲከኛታትን ዝተፈላለየ ርእይቶታት ሂቦም ኣለው። ኣቦ መንበር ኢዜማ ኣቶ የሺዋስ ኣሰፋ ንተሓተቲ ግብራዊ ስጉምቲ ክውሰድ እንተኾይኑ ብግልፂ ኣይተቐመጠን ኢሎም ። ከምዚ ዝበለ ኣበሃህላን ፍፃመን ንመጀመሪያ ግዜ ኣይኮነን ዝተሰምዐ ዝበሉ ኣቶ የሺዋስ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝተፈፀሙ ተግባራት መንግስቲ መምሃሪ ዝኾኑ ስጉምትታት ብዘምይውሳዱ እዩ ኢሎም።መንግስቲ ደኺሙ እዩ ዝብል ገምጋም የብልናን፤እዚ ዝኸውን ዘሎ ብዝለዓለ ትዕግስቲ ዘይኮነስ ብዝለዓለ ሸለልትነት መንግስቲ ስለዝኾነ ኣብ ልዕሊ ኣንፃር ሃገር ደው ዝበሉ ከም ንሃገር ምኽዳዕ ክውሰድ ኣለዎ ኢሎም። “ምስ ሃይማኖት ዝተኣሳሰሩ፣ምስ ብሄር ዝተኣሳሰሩ፣ታሪኽ እናጠቐሱ ከፍርሱ ዝኽእሉ ምንቅስቓሳት ክርአዩ ከለው እዚ ትዕግስቲ እዩ ኢልና ክንወስዶ የፀግመልና።ልዕሊ ዓቐን ትዕግስቲ እዩ፤እዚ ድማ ብናትና ገምጋም ንሶም ከምዝበሉዎ ተወሳኺ ምፍሳስ ደም ዘወግድ ዘይኮነስ እንታይ ገደሸኒ ዝብል ዘንግስን ምፍሳስ ደም ዘስዕብን እዩ።” እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ብሓፈሻ ጠቓሚ ዝበሃል መደረ ምግባሮም ዝገለፁ ናይ ማሕበራዊ ጥዕና ኣማኻሪን ተንታኒ ፖለቲካን ዶ\/ር ኤርሲዶ ሌንዴቦ ጎዲሉ ዝብሉዎ ከምዚ ብምባል ይገልፁዎ። “ምምዝባል ብኣሽሓትን ሚሊዮንን ዝቑጸሩ ሰባት፣ብዓሰርተታት ኣማኢት ሰባት ምሟት ዝምልከት ገለልተኛ ኣካል ተጣይሹ፣ብሰብ ሞያ ብዝግባእ ተፈቲሹ፣ተመርሚሩ ዓብዪ ሰነድ ተዳሊዩ ዘጥፍኡ ዝቕፅዕሉ፣እታ ሃገር፣ኣካላት ፍትሒ ከምኡ እውን ዜጋታት ዝምሃርሉ ክኸውን ኣለዎ።” እቲ ጉዳይ ካብ ተራ ገበን ንላዕሊ ስለዝኾነን ዳግም ንዘይምፍጣሩ ርግፀኛ ምዃን ስለዘይክኣልን እቲ ፓርላማ ናይ ባዕሉ ዘፃሪ ኮሚሽን ኣጣይሹ ከፃሪዮን ዜጋታት ክፈልጡን ክገብር ነይሩዎ ኢሎም።እቲ ዝተፈጥረ ክስተት ድማ ግጭት ዘይኮነስ መጥቓዕቲ ተባሂሉ ክግለፅ እውን ሓቢሮም። እቲ መደረ ፅቡቕ ምዃኑ ዝገለፁ ናይ ማሕበራዊ ሳይንስ ተመራማሪን ናይ ፖለቲካ ተንታኒን ዶ\/ር ብርሃኑ ሌንጂሶ ድማ እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ስጉምቲ ከምዝውሰድ ብግልፂ ኣይተቐመጠን ምስ ዝብል ርእይቶ ኣይሰማምዑን።ቀዳማይ ሚንስትር ብዙሕ ግዜ ኣብ ሓሳብ ትኹረት ይገብሩ፣ፈታዊ ሰላም ንዴሞክራሲን ዝወገነ መራሒ ዝብሃሉ እዮም ኢሎም። “ትማሊ ግን መንግስቲ ፍፁም ሓይልን ዓቕምን ከምዘለዎ፣ስጉምቲ ክወስድ ከምዝኽእል፣ሕጊ ንዝጥሓሱ ናብ ሕጊ ምቕራብ ከምዝኽእል ግልፂ መርገፂ ዘርኣዩሉ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።” ብሰንኪ እቲ ህውክት ዝተቐትሉ ብብሄር፣ብሃይማኖትን ብፆታን ከፋፊሎም ምቕራቦ ኣድላዩ ኣይነበረን ዝበሉ ዶ\/ር ኤርሲዶ ሌንዴቦ፤ምኽንያቱ ብብዙሕ መንገዲ ተተርጒሙ ካልእ ፀገም ከምፅእ ስለዝኽእል ኢሎም። ኣቦ መንበር ኢዜማ ኣቶ የሺዋስ ኣሰፋ ግን ናይቶም ዝተቐትሉ መንነት ብከምዚ ምቕራቡ ግቡእ እዩ ይብሉ።ኣብዛ ሃገር ጸገም እንተድኣ ተላዒሉ ንዝኾነ ይኹን ብሄር ይኹን ሃይማኖት ኣይፈልን ዝብል መልእኽቲ ንምሕላፍ ስለዝፈተኑ ዶ\/ር ኣብይ ድማ ብኢትዮጵያዊ ስምዒቶምን ጭውነቶምን ዓለም ዝመስከረሎም ስለዝኾኑ ብኻልእ ክትርጎም የብሉን ኢሎም። ዶ\/ር ብርሃኑ ሌንጆሶ ብወገኖም እቲ ፀገም ምስአጋጠመ ኩሉ ኣነ እየ ተጎዲአ፣ኣነ እየ ዝተጠቓዕኹ ዝብል ጌጋ ምዃኑ ዘርኢ ኣብክንድኡ በዚ ህውከት ዝተጎድአ ኩሉ ዓይነት ብሄርን ሃይማኖትን ምዃኑ ንምሕባር ስለዝኾነ በከምዚ ምቕራቡ ትኽክል እዩ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%88%9D%E1%88%81%E1%88%AB%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%A8%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%8B%B0%E1%88%A8-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5\/5152141.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኦሮምያ ደባይ ተዋጋእቲ 5 ሰባት ምቕታሎም ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ወረዳ ወልቂጠ ደባይ ተዋጋእቲ ንኣርባዕተ ሓይልታት ፀጥታን ሓደ ዘዋሪ ኣምቡላንስ ከምዝቐተሉን ንካልኦት ኣርባዕተ ኣባላት ፖሊስ እውን ከምዝቖሰሉን ሓላፊ ፀጥታ’ቲ ወረዳ ገሊፆም።ናይቶም ተዋጋእቲ መራሒ ነቲ ቅትለት ከምዝፈፀሞ ኣሚኑ’ሎ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፀጥታን ምምሕዳርን ወረዳ ሜታ ወልቂጤ ኣቶ ጋዲሳ ሌንጁሳ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሃሮ ሜጢ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ነቶም ሓይልታት ፀጥታን ዘዋሪ ናይታ መኪናን ከምዝቐተሉዎም ሓቢሮም።እቶም ዕጡቓት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንሓላፊ ፀጥታ እቲ ወረዳን ካልኦት ክልተ ዕጡቓት ሓለውቲ ጣቢያታትን ከምዝቐተሉ ኣቶ ጋዲሳ ሓቢሮም። ኣብ ዞባ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ መራሒ ደባይ ተዋጋእቲ ኣብዲ ቢያ ነቲ ቕትለት ምፍፃሙ ብምግላፅ ኣብዝሓለፈ ዓመት ንዝተፈፀመ ቅትለት ግን የለናሉን ኢሉ’ሎ። ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ደባይ ተዋጋእትን ሓይልታት ፀጥታ መንግስትን ብዝካየድ ግጭት እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ስግኣት ከምዝወደቐ ክገልፅ ምጽንሑ ይፍለጥ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8B%B0%E1%89%A3%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%8B%8B%E1%8C%8B%E1%8A%A5%E1%89%B2-5-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%B3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5149276.html"} {"headline":"ሚ\/ጉ\/ወጻኢ ኣሜሪካ ምስ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ብስልኪ ምዝርራቦም ተገሊጹ","content":"ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክል ፖምፒዮ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ዓርቢ ብስልኪ ከምዝተዘራረቡ ተፈሊጡ። ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ፖምፒዮ ዶ\/ር ኣብዪ መበል 100 ተዓዋቲ ናይ ሰላም ኖቤል ሽልማት ብምዃኖም እንኳዕ ሓጎሰኩም ኢሎምዎም። ኣገዳስነት ፅኑዕ ምሕዝነት ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ዝገለፁ ፖምፒዮ ሃገሮም ኢትዮጵያ እተካይዶ ንዘላ ታሪኻዊ ለውጥታት ከምእትድግፍ ሓቢሮም።ኣብ ኦሮሚያ ኣብ ቀረባ ብዛዕባ ዝተፈጥረ ህውከት፣ ተቓውሞን ናይ ዓሌታዊ ግጭታት ብድሆን ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ ተዘራሪቦም ኣለው። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪን ፓምፒዮን ኣብ ዞባዊ ጉዳያት እውን ተዘራሪቦም ኣለው።ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣብ ደቡብ ሱዳን ነባሪ ሰላም ንምርግጋፅ ክሕግዙ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ፓምፒዮ ምሕታቶም’ውን ተሓቢሩ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%89%A5%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8A%AA-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%88%AB%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9-\/5149246.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተላዕሉ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታትን ናዕብታትን 78 ሰባት ከምዝተቐትሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ","content":"ካብ 12 ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ሃረርን ከምኡ እውን ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ብሰንኪ ዝተኻየዱ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታትን ዝተኸሰቱ ናዕብታትን 78 ሰባት ከምዝተቐትሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።በቲ ህውከትን ቅትለትን ዝተጠርጠሩ ልዕሊ 400 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም እውን ተፈሊጡ’ሎ። ብመንግስቲ ዝተመደበሉ ሓለውቲ ክልዓሉ ከምዝኾኑን እናተኸበበ ከምዝኾነን ብምግላፅ ኣክቲቪስት ጀዋር መሓመድ ዘሕለፎ መልእኽቲ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኦሮሚያ ዝተወልዐ ተቓውሞ ሰልፍታት ግጭታትን መቕተልቲ ወሪዶም እዮም። ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ሓላፊት ዓውዲ ቋንቋታትን ወፃኢን ዲጂታልን ቢል ለኔ ስዩም ከምዝገለፅኦ ብዘሕዝን ኣገባብ ኣብ ክልላት ኦሮሚያ፣ሃረርን ከተማ ድሬድዋን ብዝተፈጥረ ህውከት ህይወት 78 ሰብ ምጥፍኡ ትርጉም ኣልቦ እዩ ኢሎን።እቲ ህውከትን ዝወረደ ጉድኣትን ፍፁም ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ ኢለን። “ነዞም ተግባራት እዚኦም ንኹንኖም።ምጥፋእ ህይወት ሰብ ጥራሕ ዘይኮኑስ ንብረት እውን እዩ ዓኒዩ።እዚ እታ ሃገር ኣብዚ ሕጂ እዋን ትጉዓዘሉ ንዘላ መንገዲ ዝፃረር እውን እዩ።” ቢል ለኔ ስዩም ኣብቲ ህውከት ዝተሳተፉን ኣብ ምጥፋእ ህይወት ኢዶም ዝሓወሱን ክሕተቱ እዮም፣ምርመራ ጀሚሩ’ሎ፤ዛጊድ 409 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም ኣለው ኢለን። “ፈፅምቲ ናይዚ ገበን፣ነቲ ገበን ዘቀፃፀሉን ተሓባብርቶምን ተሓተቲ ከምዝኾኑ ርግፀኛታት ኩኑ።” እተን ወሃቢት ቃል ናይ መንግስቲ ትዕግስቲ ከም ድኽመት ዝወስዱ ኣካላት ይጋገዩ ኣለው ኢለን ።እቲ ትዕግስቲ ፌደራል መንግስቲ ኮነ ኢሉ ዝኽተሎ ዘሎ ስልቲ እዩ፤ ምኽንያቱ ኢትዮጵያ ናብቲ ዝነበረትሉ ክትምለስ ስለ ዘይንደልይ ኢለን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%89-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%88%9E-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%8B%95%E1%89%A5%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-78-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%90%E1%89%B5%E1%88%89-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5147755.html"} {"headline":"‘መድረክ ምክክር ሚድያታት ኢትዮጵያ ብመንፅር ረብሓ ህዝቢ’ ዝብል ዓውደ-መጽናዕቲ ኣብ መቐለ ተካይዱ","content":"በዓል ስልጣን ብሮድካስት ኢትዮጵያ ዘዳለዎ \" መድረክ ምክክር ሚድያታት ኢትዮጵያ ብመንፅር ረብሓ ህዝቢ” ዝብል ዓውደ-መጽናዕቲ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ ኔሩ። እቲ ሚድያታት ኢትዮጵያ ብመንጽር ረብሓ ህዝቢ ንምርኣይ ዝፈተነ መድረኽ፡ ምስ ትካል ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር ዝተዳለወ`ዩ። ሓላፊ ኮሚኒኬሽን በዓል ስልጣን ብሮድካስቲንግ ኢትዮጵያ ኣቶ ገብረዝግኣብሄር ኣብርሃ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መብዛሕትኣን መሓውራት ዜና ኣሰር ፖለቲከኛታት ተኸቲለን ኣብ ዝኸዳሉ እዋን፡ ድልየትን ሕቶን ህዝቢን ዘንጸባርቕ መሓውራት ዜና ንምፍጣር ዝዓለመ መድረኽ ምዃኑ ሓቢሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%8A%AD-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8A%AD%E1%88%AD-%E1%88%9A%E1%8B%B5%E1%8B%AB%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8D%85%E1%88%AD-%E1%88%A8%E1%89%A5%E1%88%93-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8B%8D%E1%8B%B0-%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%8A%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%89%B0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/5147318.html"} {"headline":"ብዛዕባ ሃለዋትን መሰላትን ቆልዑት ኣፍሪቃ ዝዝትይ ኣህጉራዊ ዓውደመጽናዕቲ ኣብ ኣስመራ ይካየድ ኣሎ","content":"እቲ `'ኣፍሪቃዊ ኮሚቴ ክኢላታት ኣብ ምሕላው መሰላት ቆልዑት`' ዝተባህለ ትካል ዘካይዶ ዘሎ ዓውደ-መጽናዕቲ፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርአ ምዝንባል ቆልዑን ኣተሓሕዝኡን መሰረት ዝገበረ'`ዩ። እቲ ኮሚቴ `'ኣጀንዳ 2040፡ ንቆልዑት ትኸውን ኣፍሪቃ ምህናጽ`' ዝብል መደብ ዘሰጉም ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብ ዶብ ምስግጋር ኣብ ልዕሊ ቆልዑት ዝወርድ ጸቕጥን ብድሆታትን ክቐርፍ ዝፍትን`ዩ። ምሉእ ሪፖርት ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%8B%9B%E1%8B%95%E1%89%A3-%E1%88%83%E1%88%88%E1%8B%8B%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%89%86%E1%88%8D%E1%8B%91%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8B%9D%E1%8B%9D%E1%89%B5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%85%E1%8C%89%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%93%E1%8B%8D%E1%8B%B0%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%8A%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8B%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%88%8E\/5147307.html"} {"headline":"ሊብያ፡ ኣስታት 450 ስደተኛታት ብሰንኪ ጥምየት ካብ ዝጸንሕሉ መዳጎኒ ማእከል ክወጹ ምግዳዶም ይገልጹ","content":"ኣስታት 450 ኣብ ኣቡ ሰሊም መዳጎኒ ማእከል ዝጸንሑ ስደተኛታት ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ብሶሉስ ምሸት ነቲ ማእከል ገዲፎም ክወጹ ምግዳዶም ይገልጹ። ሊብያዊ ተሓላቒ መሰላት ጣሪክ ላምሎም እቶም ስደተኛታት ንኣስታት ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ተጓዒዞም ናብቲ ግዝያዊ መዕቖቢ ስደተኛታት ከምዝበጽሑ ይገልጹ። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት እቲ ግዝያዊ መዕቖቢ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ስደተኛታት ኣዕቑቡ ከምዘሎን ፍርቒ ካብቶም ኣብቲ ማእከል ዘለው ካብ ኣብ ወርሒ ሓምለ ብነፈርቲ ዝተደብደበ ታጁራ መዳጎኒ ማእከል ዝመጹ ምዃኖም ይገልጽ። ነቲ ማእከል ዘመሓድሩ አባላት ናይ መንግስቲ ሊብያ ኤጄንሲ እቶም ስደተኛታት ናብቲ ማእከል ከይኣትው ከምዝከልከልዎም’ውን ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ’ሎ። ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ዥንፖል ካቫለሪ (Jean Paul Cavalieri) ኣብ ዝሃብዎ ናይ ጽሑፍ መግለጺ “ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ነቶም ትማሊ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት መአከቢን መፋነውን ማእከል(GDF) ዝመጹ ኣስታት 200 ስደተኛታት መፍትሒ ንምንዳይ ይሰርሕ ኣሎ። መብዛሕቶም ካብ ኣቡ ሰሊም ዝወጹ ኽኮኑ ከለው ገለ እውን ካብ ካልእ ከተማታት ዝመጹ እዮም። ዋላ’ኳ ንዘሎ በዳሂ ኩነታት እቶም ሰባት ንርዳእ እንተኾነ እቲ ማእከል ካብ ክህዙ ዝክእል 600 ሰባት ንላዕሊ ኣብዚ ሕጂ ኣዋን ኣስታት 820 ስደተኛታት ኣዕቒቡ ብምህላው ተወሳኺ ሰባት ክዕቑብ ኣይክእልን” ኢሎም። “ኣብ GDF ዘንቆልቁል ዘሎ ኩነታት ነቲ ኣብታ ቦታ ዘሎ ትሕቲ ቅርጽን ኣገልግሎታትን ካብ ዓቐን ንላዕሊ ብምምጣጡ ኣብቲ ቦታ ተወሰኽቲ ስደተኛታት ንክንቕበል ኣጸጋሚ ጌሩዎ’ሎ። ኣብቲ ቦታ ዘለው ተአፈፍቲ ዝኾኑ ስደተኛታት እውን ብህጹጽ ካብዚ ቦታ ክወጹ ወይ’ውን ናብ ካልእ ቦታ ክጣየሱ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ምፍላጡ ይዝከር” ኢሎም። አባላት’ቲ ትካል ካብቶም ስደተኛታት ምስ ዝተወከሉ ጉጅለ ስደተኛታት ምዝርራቡ’ውን ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ዥን ፖል ካቫለሪ ኣብ ዝሃብዎ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ሓቢሮም ኣለው። ኣሶሴይትድ ፕረስ ዘዘራረቦም ስደተኛታት ሰበ ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ናብ ኣቡ ሰሊም ወይ ናብ ካልኦት መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ክምለሱ ከምዝሓበርዎም ገሊጾም ኣለው። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሓደ ጉጅለ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ሰባትን 14 ግብጻዊያን ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ንምቁራጽ ኣብ ዝፈተንሉ ብሶሉስ ኣብ ከተማ ሲትሪ ሊብያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ወሃቢ ቃል ሓይሊ ምክልካል ከተማ ሲትሪ ጣሃ ሃዲዲ ገሊጾም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%88%9B%E1%8A%A2%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%91%E1%8C%B8%E1%88%A9-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8C%A5%E1%88%9D%E1%8B%A8%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%95%E1%88%89-%E1%88%98%E1%8B%B3%E1%8C%8E%E1%8A%92-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8D-%E1%8A%AD%E1%8B%88%E1%8C%B9-%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%8B%B3%E1%8B%B6%E1%88%9D-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B9\/5147231.html"} {"headline":"ኣብ ትግራይ ዝኣተወ ዕስለ ኣንበጣ ካብ ነጻ ዝኾኑ ከባቢ ናብ ካልኦት ይሰግር ምህላው ተገሊጹ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ትግራይ ዝኣተወ ዕስለ ኣንበጣ ምክልኻል ተገይርሎም ነፃ ካብ ዝኾኑ ከባቢታት ናብ ካልኦት ሓደሽቲ ከባቢታት ይሰግር ኣሎ ተባሂሉ:: ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ዕስለ ኣንበጣ ንምክልኻል ተማሃሮን መማህራንን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን ኮሌጃትን ትምህርቲ ኣቋሪፆም ክወፍሩ ፀዊዑ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%8B%88-%E1%8B%95%E1%88%B5%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%8C%A3-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%90%E1%8C%BB-%E1%8B%9D%E1%8A%BE%E1%8A%91-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A6%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%88%B0%E1%8C%8D%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5146089.html"} {"headline":"ዶብ ሰገር ርክብ ህዝቢታት ኤርትራን ትግራይን","content":"ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ህዝቢታት ከም'ቲ ዓሚ መስከረም ብጋሕ ዝበለ ጽርግያ ምስጋር'ኳ እንተዘይተኻእለ፣ እሾኽ ከይተወጋእካ ኣብ ክንዲ ትሰግር፣ ብንውሕ ዝበለ መገዲ ርክብ ቀጺሉ ከምዘሎ ይገልጽ ጋሻና ኣቶ ጎይቶኦም። 'ሰዓት 3፡00 ናይ ለይቲ ክሳብ 5፡00 ናይ ኣጋ ምሸት ነዊሕን ኣድካሚን ጉዕዞ ብምግባር ናብ ራማ ከምዝኣተወት'ውን' ትገልጽ ወ\/ሮ ፍረወይኒ ጎይቶኦም። 'ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ዝሓለፈ ታሪኹ ረሲዕዎ ስለዝነበረ፣ እዛ ዳሕረዋይ ምዕጻው ዶብ፣ ፍቕሪ ንክገብር፣ መጸበቒ ናይ ክልቲኦም ህዝቢታት'ዩ ኮይኑልና' ትብል ንሳ። ኣቶ ጎይቶኦም ብወገኑ 'ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናብ ትግራይ ናብ ህዝቦም ጥራሕ ይምጽኡ'ምበር፣ ብጓይላን ብዕልልታን ኢና ክንቅበሎም' ኢሉ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-eritrea-cross-border-relations-2019\/5146084.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ከቢድ ሓደጋ ዘውረዱ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ክልተ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ፀዊዖም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ማሕበራዊ ፍትሒ ዜጋታት\/ኢዜማ\/ ዝተባህለ ፓርቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ከቢድ ሓደጋ ዘውረዱ ዝበሎም ሰባት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ፀዊዑ’ሎ። ብኻልእ ወገን መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ህውከት ዘለዓዓሉን መንግስታዊ ሓላፍነቶም ዘይፈፀሙን ኣካላት ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስዱ ክልተ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሎሚ ፀዊዖም።ድሕሪ ዜና ተወሳኺ ኣለና። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%88%85%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%89%A2%E1%8B%B5-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B-%E1%8B%98%E1%8B%8D%E1%88%A8%E1%8B%B1-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%AD%E1%89%90%E1%88%AD%E1%89%A1-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8D%80%E1%8B%8A%E1%8B%96%E1%88%9D-\/5146083.html"} {"headline":"ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ንምክያድ ስልጠና ይካየድ ከምዘሎ ተፈሊጡ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ንምክያድ ስልጠና ኣፈፀምቲ ምርጫ ሓዊሱ ወፍሪ ቕስቀሳ ዘካይዱ ፓርትታትን ስቪክ ማሕበራትን ምዝገባ ይካየድ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ኣስታት 6,400 ሰልጠንቲ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንፈለማ ግዜ ዝካየድ ህዝበ ውሳነ ንምፍፃም ዘኽእል ናይ ተግባር ልምምድ ኣብ ምክያድ ይርከቡ። ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ሶሊያና ሽመልስ ብዛዕባ እቲ ቅድመ ምድላው ከምዚ ኢለን። “ቅድመ ምድላው ክንብል ከለና ብመዳይ ድሕንነት፣ናውቲ፣ሰነድ እንታይ ዓይነት ቅድመ ምድላው እዩ ዝካየድ ዘሎ ዝብል እዩ።መስርሕ ኣዋህባ ድምፂ’ከ ከመይ እዩ ዝብል እውን ይሓውስ።” ንሰን ወሲኸን እቲ ህዝበ ውሳነ ንቀፃሊ ሃገራዊ ምርጫ ዝህቦ ተመኩሮ እውን ዓብይ እዩ ኢለን ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A0-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%88%B2%E1%8B%B3%E1%88%9B-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8B%AB%E1%8B%B5-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A0%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8D%80%E1%88%9D%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%8B%88%E1%8D%8D%E1%88%AA-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%89%A3-%E1%89%95%E1%88%B5%E1%89%80%E1%88%B3-%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%89%AA%E1%8A%AD-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AB%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5145935.html"} {"headline":"ግብጽን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ንምዝርራብ ኣብ ዋሽንግተን ከምዝራኸቡ ተገሊጹ","content":"ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሻምህ ሻኩረይ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ብመንጎኛታት ዝካየድ ልዝብ ሃገሮም ከምትሳተፍ ትማሊ ሶሉስ ኣፍሊጦም። ግብጺ፡ሱዳንን ኢትዮጵያን “ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ሕዳር 6 ተራኺቦም ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ክዘራረቡ’ዮም” ክብሉ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሻምህ ሻኩረይ ሓቢሮም። ንሶም ነዚ ዝበሉ ምስ ናይ ጀርመን መዘነኦም ሄኮ ማስ ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ’ዩ። ኢትዮጵያ ነቲ ብ4 ቢልዮን ዶላር ዝህነጽ ዘሎ ግድብ ህዳሴ ንምንጪ ጸዓት’ታ ሃገር ኣገዳሲ ምኳኑ ክትገልጽ ጸኒሓ’ያ። ግብጺ ብወገና እቲ ግድብ ንዋሕዚ ዓቐን ማይ ፈለግ ኒል ናብ ግብጺ ክጸልው ይክእል’ዩ ብምባል ስግኣታ ክትገልጽ ጸኒሓ’ያ። ነቲ ንትሸዓተ ዓመታት ብዘይፈረ ዝጸንሓ ልዝብ እዘን ሃገራት ዓለምለኸ መንጎኛ ክኣትው ድሕሪ ክቐርብ ዝጸንሓ ጻውዒት ኣሜሪካ ብመንጎኝነት ንስለስቲኣን ሃገራት ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ክራኸባ ንዘቕረበቶ ሓሳብ ግብጺ ምቕባላ ሚንስትር ሻኩረይ ብምግላጽ ኣብቲ ልዝብ ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ ከምዝሳተፉ’ውን ሓቢሮም ኣለው። ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ ብወገኖም ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ምስ ፕረ.ትራሞፕ ኣብ ጎኒ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተራኸብሉ ንመንጎኛነት ኣሜሪካ ጻውዒት ምቕራቦም ይገልጹ። ፕረዚደንት ትራሞፕ ድማ ንሚንስትሪ ገንዘብ ኣሜሪካ ሙኒቺን ነቲ ልዝብ ብመንጎኛነት ክመርሑ መዚዞም ኣለው። ኣቐዲሞም መራሕቲ ግብጺን ኢትዮጵያን ኣብ ዋዕላ ሩስያ ኣፍሪቃ ተራኺቦም ምዝርራቦም ይፍለጥ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8B%E1%88%BD%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%89%B0%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AB%E1%8A%B8%E1%89%A1-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5145755.html"} {"headline":"ቃለ-መጠይቕ ምስ ዳን ኮነልን ደቪድ ሺንን ኣብ ጉዳይ ሽልማት ኖበል ሰላምን፡ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ንቀ\/ሚ ኣቢይ ዘሰክሞ ሓላፍነትን(2ይ ክፋል)","content":"ብምኽንያት ሽልማት ኖበል ሰላም ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ዝሓለፈ ዓርቢ ንኽልተ ኣሜሪካዊያን ምሁራትን ተንተንቲ ፖለቲካን ምዝርራብና ይዝከር። ዳን ኮነል መምህር ዩኒቨርስቲን ጋዜጠኛን ክከውን ከሎ ዳቪድ ሽን ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ዝነበረ ሕጂ’ውን ፕሮፌሰር ዓለምለኻዊ ዝምድናታት’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሽልማት ኖበል ሰላም 2019 ንመስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝህቦ ትርጉም ኣብ ዝብል ርእይትኦም ኣካፊሎም ኔሮም። ንሎሚ ድማ እቲ ሽልማት ምስ ርግኣትን ሰላምን ውሽጣዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብምትሕሓዝ ርእይትኦም ይህቡ። ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምምጻእ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ`ውን ዘይተመለሱ ሕቶታት ከምዘለዉ ይፍለጥ። ኣብ መንጎ ነቲ ለውጢ ዝድግፉን ዘይድግፉን፡ ኣብ መንጎ ተሓለቕቲ ብሄርተኝነትን ኣሃዳዊ ኢትዮጵያውነትን ከምኡ`ውን ኣብ መንጎ ርሓቐለይ ክርሕቐልካን ሕቶታት ደረተይ ደረትካን ምስሕሓብን ግጭትን ምቕጻሉ ይንገር። ንምዃኑ ንኢትዮጵያ ናብ ጎደና ሰላምን ዕብየትን ንምቕናዕ እዚ ንመራሒኣ ዝተዋህበ ናይ ዓለም እቲ ዝዓበየ ሽልማት ኖቤል ሰላም ፡ እንታይ ተራን ትርጉምን ይህቦ ይኸውን ዝብል ሕቶታት ንምምላስ ተፈቲኑ`ሎ። ዳን ኮነል፡ ኣብ ከተማ ቦስተን ዝቕመጥ ደራስን ተንታኒ ፖለቲካን`ዩ። ንሱ ኣብ ዘረብኡ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሓደ ዓመት ስልጣን ዝሓዘ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ፖለቲካዊ ባይታ ብምስፋሕን፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ብምፍታሕን ከምኡ`ውን ኣብ ልዕሊ ሚዲያታት ዝነበረ ሓጹራት ብምልዓል ልዑል ስራሕ ከም ዝሰርሐ ድሕሪ ምጥቃስ፡ እቲ ቅድሚ ለውጢ ዝነበረ ዓሌታዊ ህውከት እንተሃድአ`ውን ገና ከምዝቐጸለ ይገልጽ። ኣተሓሒዙ “ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ትኩረቱ ናብ ኣህጉራዊ ዛዕባታት ጌሩ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ`ዚ ኣዋርሕ`ዚ ግን ገጹ ናብ ውሽጣዊ ጉዳያት`ዛ ሃገር ጌሩ`ሎ እዚ ድማ ኣወንታዊ`ዩ “ ይብል። “ እዚ ንኢትዮጵያ ዲሞክራሲያዊት ንምግባርን ንፖለቲካዊ ተቓወምቲ ባይታ ንምኽፋትን ዝግበር ተመክሮ ሓደገኛ ተመክሮ ምስ ምዃኑ ናበይ ገጹ ከምዘምርሕ ክሳብ`ቲ ዝመጽእ ዓመት ኣብ 2020 ዝካየድ ምርጫ ክንፈልጦ ኣጸጋሚ`ዩ” ይብል። ዳን ኮነል ኣተሓሒዙ “ኩሉ ወገን እቲ መስርሕ ከምዝዕወት ዝክኣሎ ክገብር ተስፋ እገብር” ድሕሪ ምባል፡ ካብ`ዚ መስርሕ`ዚ ተኣምር ምጽባይ ዘይኮነስ፡ ናብ ዝሓሸን ክፉትን ኣንፈት ዲሞክራሲ ሓደ ስጉምቲ ጌሮም ክርእይዎ ይግባእ ኢሉ። ኣብ እዋን ኩናት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ዝነበረ ዳቪድ ሺን ብወገኑ፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ገና ዘይተመለሱ ሕቶታት ኣለዉ፡ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ዲሞክራሲ ግን ጽቡቕ`ዩ“ ይብል። ምስ ዳን ኮነልን ደቪድ ሺንን ዝተኻየደ ካልኣይ ክፋል ቃለ-መጠይቕ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%AE%E1%8A%90%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%8B%B0%E1%89%AA%E1%8B%B5-%E1%88%BA%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%88%BD%E1%88%8D%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%8A%96%E1%89%A0%E1%88%8D-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A2%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%88%B0%E1%8A%AD%E1%88%9E-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8D%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95\/5144453.html"} {"headline":"መግለጺ ሃይማኖታዊ መራሕቲን ኢዜማን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ","content":"መራሕቲ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንልዕልነት ሕጊ ናይ ምኽባርን ድሕነት ህዝቢ ናይ ምሕላውን ሓላፍነት ክዋፃእ ኣተሓሳሲቦም። ምስዚ ብዝተሓሓዝ ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ ፓርቲ\/ኢዜማ\/ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ሓደጋ ዘውረዱ ኩሎም ንፍርዲ ክቐርቡ ሎሚ ኣብዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ሓቲቱ። ካብ 12 ጥቅምቲ 2012 ዓ\/ም ጀሚሩ ብተኸታታሊ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኦሮሚያ ዝወረደ ዘስቅቕ መጥቓዕቲ፣ቅትለት፣ግጭትን ዕንወት ንብረትን ዘይምርግጋእን ኣዚዩ ከም ዘስግኦም ዝገለፁ ላዕለዎት መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሎሚ ብሓባር ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ግጭት ህይወቶም ዝስኣኑ ወገናት ዓሚቕ ሓዘን ከምዝተሰምዖም ብምግላፅ ንስድራ መወቲ ምጽንናዕ ተመኒዮም። ንፁሃን ዜጋታት ኣብዘይፈልጡዎ ጉዳይ ዝወርድ ዘሎ ምጥፋእ ህይወት ተቐባልነት ይብሉን ክብሉ’ውን ኮኒኖምዎ። ብንባብ ኣብዝተሰምዐ መግለፂ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት እቲ ግጭት ንኩሉ ህዝቢ ዝልክም እዩ ኢሎም። “ኣብ መንጎ ኢትዮጵያዊያን ሕማቕ በሰላ እናገደፈ ዝርከብ እዚ ዘይተለመደ ዝንባለ ግጭት ካብ እምነት ይኹን ናይ ኢትዮጵያዊ ክብርታት ብሰላም ሓቢርካ ምንባር ዝፃባእ ስለዝኾነ ኩላትና ስፍሓትን ዕምቆትን ናይቲ ፀገም ተረዲእና እቲ ግጭት ንኹልና ዝጎድእ ምዃኑ ፈሊጥና ነንሕድሕድና ንተሓጋገዝ።ብፅልኢ ንርኣአየሉ ዘይኮነስ ብፍፁም ወገናዊነትን ቅንዕናን ብምትሕብባርን ብሓባርን ክንሰርሕ ይግባእ።” እቲ መግለፂ እታ ሃገር ዝኣተወቶ ውጥረት ሃይማኖታዊ መልክዕ ክሕዝ ዝግበር ፃዕሪ ፍፁም ተቐባልነት የብሉን ይብል ። እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ደጋጊሞም ከምዘተሓሳሰቡዎ ነታ ሃገር የመሓድር ዘሎ መንግስቲ ንዜጋታቱ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ኣለዎ።ንመንግስቲ ዘተሓሳሰቡ ናይ ኢትዮጵያ ኦሮቶዶክ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያሪክ ብፁእ ኣቡነ ማትያስ ናይ መንግስቲ ሓላፍነት ንህዝቡ ብማዕረ፣ብግልፅነትን ተኣማንነትን ምምሕዳር ስለዝኾነ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ግቡእ እዩ ኢሎም። “ንሰበስልጣን ሓደራ ክንብሎ ንደልይ ንሕጊ ኣኽብሩ፤ንህዝብኹም ብመሰረት እቲ ሕጊ ኣመሓደሩ፣ብስርዓት ኣማሓድሩ።ሓላፍነትኩም ካብ ምስራሕ ንድሕሪት ኣይትበሉ ኢና ንብል ዘለና።እቲ ህዝቢ ድማ ብትኽክለኛ ኣገባብ ክመርሑዎ ከለው ክምራሕ ኣለዎ።” ናይ ኢትዮጵያ ጠቕላሊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ፕረዚደንት ሙፍቲ ሓጂ ዑመር እድሪስ ብወገኖም ልዕልነት ሕጊ ብቕልጡፍ ክረጋገፅ ብምትሕስሳብ ካልኦት ሰብ ብፅሒት እውን ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ኣለዎም ኢሎም። መንግስቲ ግጭት ድሕሪ ምፍጣሩ ዘይኮነስ ቅድሚ ምጉህሃሮም ብቕልጡፍ ደው ከብሎን ልዕነት ሕጊ ከኽብርን ከምዘለዎ ዘተሓሳሰቡ ድማ ፕረዚደንት ቃለ ህይወት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኢያሱ ኤልያስ እዮም።ልዕልነት ሕጊ ዕሽሽ ክብሃል የብሉን ኢሎም። “ንሕሰብ፣ነስተንትን፣ንመለስ።በጃኹም ኣሕዋትናን ኣሓትናን፤ፖለቲከኛታት፣ኣብ መሪሕነት ዘለኹም፤ፖሊስ፣አባላት ድሕንነት፣መምህራን፣ተማሃሮ ንሰላም ደው ንበል።ናብ ሓድነት ንመለስ፤ዝጠፍአ ጠፊኡ እዩ፤ንሓዋሩ ግን ንጥዓስ እየ ዝብል ዘለኹ።” ናይ ኢትዮጵያ ካቶሊካዊ ቤተ ክርስቲኣን ተወካሊ ኣባ ተሾመ ፍቅሬ ኣብ መንጎ እቲ ሕብረተሰብ ግጭት ዝፈጥሩን ዘጋድዱን ኣካላት ካብ ተግባሮም ክዕቀቡ ኣተሓሳሲቦም።ናይ ኢትዮጵያ ወንጌላዊያን ኣብያተ ክርስትያናት ሕብረት ፕረዚደንት ፓስተር ፃዲቁ ኣብዶ እውን ኣብ ልዕሊ ትካላት እምነት መጥቓዕቲ ንዝፈፀሙ ብትሪ ነቒፎም ኣለው። ምስዚ ተኣሳሲሩ ምእመናን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብሄሮም ከይፈለየ ክርስቲያን ብምዃኖም መጥቓዕቲ ይወርዶም ኣለው ኢሉ። ሎም ቅነ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዝወረደ መጥቓዕቲ ብዙሓት ስዓብቲ ናይቲ እምነት ተቐቲሎም፣ተወቒዖምን ንብረቶም ከምዝተቓፀለን ብተወሳኺ ድማ ኣብ ዝለዓለ ስግኣት ከምዝወደቑን ዘተሓሳስብ ብምዃኑ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ከምዝተዘራረቡ ንጠቕላሊ ቤተ ክህነት ብምውካል መጋቤ ሰላም ቀሲስ ሰለሞን ቶልቻ ገሊፆም።ይወርድ ዘሎ ጉድኣት ዝለዓለ ብምዃኑን ድሕሪ ሕጂ ዝህልው ዘተሓሳስብ ስለዝኾነን መንግስቲ ንልዕልነት ሕጊ ንምኽባር ክሰራሕ ሓቲቶም። “መንግስቲ ሓይሊ ኣለዎ።መንግስቲ ዕጥቂ ኣለዎ።መንግስቲ ኩሉ ነገር ኣለዎ።እቲ ዜጋ ወፂኡ ብሰላም ክኣትው፣ ክኣምን፣ ክሰርሕ፣ ክንቀሳቐስ፣ ውሕስና ክህብ ኣለዎ።” ናይ ኢትዮጵያ ጉዳያት እስልምና ጠቕላሊ ቤት ምኽሪ ፕረዚደንት ሙፍቲ ሓጂ ዑመር እንድሪስ ብወገኖም ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያንን መስጊድን ዝወረዱ ጉድኣት ህዝበ ክርስቲያንን ሙስሊምን ብሓባር ደው ብምባል ንዘጥፍኡ ከቃልዑ የድልይ ክብሉ ርእይትኦም ሂቦም። ናይ ኩሎም መራሕቲ ሃይማኖት መልእኽቲ ብዋናነት መንግስቲ ናይ ዜጋታቱ ድሕነት ናይ ምሕላውን ሰላም ናይ ምርግጋፅን ሓላፍነት ኣለዎ ዝብል’ዩ። ካብዚ ዝገደደ ጉድኣት ከይወርድ መንግስቲ ቅድም ኢሉ ኣብ ናይ ምክልኻል ስራሕ ከተኩር ኣለዎ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ ፓርቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ሓደጋ ዘውረዱ ኩሎም ንፍርዲ ክቐርቡ ሓቲቱ።ናይቲ ፓርቲ መራሒ ፕሮፈሰር ብርሃኑ ነጋ”መንግስቲ ናይ ዜጋታቱ ድሕንነት ካብ ዝኾነ ይኹን ነገር ንላዕሊ ክሕልው ሓላፍነቱ እዩ።መንግስቲ ነዚ ሓላፍነቱ እንተድኣ ዘይፈፂሙ ሰባት ናብ ኣራዊትነት ተመለሱ ይብል ኣሎ ማለት እዩ።መንግስቲ ሓላፍነቱ ዝዋፅአሉ እዋን ሕጂ እዩ።ንሕና ከም ውድብ ኢዜማ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ክንተሓባበር ኢና።” ኢዜማ ወሲኹ ጉድኣት ዝወረዶም ግቡእ ካሕሳ ክረኽቡ ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ ብቕልጡፍ እግሪ ክተኽሉ ሎሚ ኣብዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ፀዊዑ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%83%E1%8B%AD%E1%88%9B%E1%8A%96%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%8B%9C%E1%88%9B%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/5144409.html"} {"headline":"ሓላፊ ኢትዮ ቴሌኮም ጨንፈር ምዕራብ ቀጠና ኣቶ ገመቺስ ታደሰ ተቐቲሎም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊ ኢትዮ ቴሌኮም ጨንፈር ምዕራብ ቀጠና ኣቶ ገመቺስ ታደሰ ተቐቲሎም።ምስ ቅትለት ኣቶ ገመቺስ ታደሰ ብዝተሓሓዝ ፖሊስ ከተማ ነቀምቴ ክልተ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታው ኣፍሊጡ’ሎ። ሓላፊ ኢትዮ ቴሌኮም ጨንፈር ምዕራብ ቀጠና ኣቶ ገመቺስ ታደሰ ብዘስካሕክሕ ኩነታት ከምዝተቐትሉ በዓልቲ ቤቶም ወ\/ሮ መሰረት መዴሳ ገሊጸን። መሳርሕቶም ጽባሕ ናብ አዲስ አበባ ሒዝካለይ ትኸይድ መልእኽቲ ኣለኒ ኢሉ ናብ ደገ ክጽውዖም ከሎ ምስኦም ዝኸደ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ወዶም በቲ ዝረኣዮ ከምዝሰንበደን ክሳብ ሕጂ ኣብ ራዕዲ ከምዘሎን ተዛሪበን። “ሓቢርና ደገ ኣምሲና ኢና ኣቲና ፡ገዛ ምስ አተና ብዙሕ ከይጸንሓ ሓደ ዓርኩ ደዊሉ ፖስታ ክህበኻ ኢልዎ ሕራይ ኢሉ ንደገ ወጺኡ። ድምጺ ጠያይት ሰሚዓ ናብ ደገ ምስ ወጻእኹ ወዲቑ ተዘርጊሑን ኔሩ። ዝተኾሰ’ውን ኣይረኣኹን ወደይ ግን ደድሕሪ’ቶም ሰባይ ይጎይይ ኔሩ።” ኣቶ ገመቺስ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ፈተነ ቕትለት ተካይድሎም ከምዝነነረ ዝገለጻ በዓልቲ ቤቶም ንፖሊስ ሓቢሮም ምላሽ ከምዘይረኸቡ ይገልጻ። ናይታ ከተማ ፖሊስ ብወገኑ ምስ ቅትለት ኣቶ ገመቺስ ብዝተሓሓዝ ንክልተ ተጠርጠርቲ ኣብ ቐይዲ ምእታውን ምርመራ የካይድ ምህላውን ገሊጹ’ሎ። ፖሊስ ወሲኹ ኣቶ ገመቺስ ናብ ሆስፒታል ይወሰዱ’ምበር ብዙሕ ከይጸንሑ ምሟቶም መን ከምዝቐተሎም ንምፍላጥ ኣይተከአለን ኢሉ’ሎ። ኣቶ ገመቺስ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ብምምሕዳር ናይ ዶክትሬት ዲግሪ ይመሃሩ ከምዝነበሩን ኣቦ ክልተ ቆልዑ ምኻኖምን ተፈሊጡ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE-%E1%89%B4%E1%88%8C%E1%8A%AE%E1%88%9D-%E1%8C%A8%E1%8A%95%E1%8D%88%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%89%80%E1%8C%A0%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%8C%88%E1%88%98%E1%89%BA%E1%88%B5-%E1%89%B3%E1%8B%B0%E1%88%B0-%E1%89%B0%E1%89%90%E1%89%B2%E1%88%8E%E1%88%9D\/5144178.html"} {"headline":"ኤርትራዊ ስዊድናዊ ኣሌክዛንደር ኢስሃቕ ኣብ ውድድራት ላሊ-ጋ ሎሚ`ውን ኣገዳሲ ሸቶ ብምምዝጋብ ዳግም ታሪኽ ሰሪሑ","content":"ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ናይ ስጳኛ ዙር ስፖርት ኩዕሶ እግሪ፡ ኣሌክስ ኢሳቅ ጸወታ ንኽውዳእ 9 ደቒቕ ምስትረፎ ኣትዩ፡ ሓንቲ ሸቶ ብምምዝጋብ፡ ጋንትኡ ሪያል ሶሲዳድ ንጋንታ ቸልታ ቪዶ 1-0 ብምስዓር፡ ንጋንትኡ ናብ ደረጃ መራሕቲ ባርሶሌና ክብ ኣቢልዋ`ሎ። ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም 20 ዓመቱ ዝመልአ ኣብ ስዊድን ዝተወልደ ኤርትራዊ ኣለክስ ኢሳቅ፡ ገና ካብ ንኡስ ዕድሚኡ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለያ ጋንታት ኤውሮጳ ብምስላፍ ብሉጻት ሸቶታት ብምምዝጋብ ህቡብነት ዝኾነ መንእሰይ`ዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%B5%E1%8B%8A%E1%8B%B5%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%8A%A3%E1%88%8C%E1%8A%AD%E1%8B%9B%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%88%B5%E1%88%83%E1%89%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%8B%B5%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%8B%E1%88%8A-%E1%8C%8B-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%8B%B3%E1%88%B2-%E1%88%B8%E1%89%B6-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8C%8B%E1%89%A5-%E1%8B%B3%E1%8C%8D%E1%88%9D-%E1%89%B3%E1%88%AA%E1%8A%BD-%E1%88%B0%E1%88%AA%E1%88%91\/5142840.html"} {"headline":"ግብረመልሲ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢትዮዮጵያ ንዘጋጠመ ግጭትን ህውከትን","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ቕነ ኣብታ ሃገር ዝተራእየ ህውከት ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እቲ ዘጋጠመ ጥፍኣት ኣሽንኳይ’ዶ ክትርኦ ክትሰምዖ’ዃ ዘስካሕክሕ እኩይ ተግባር ኣብ ልዕሊ ወገናትና ተፈጺሙ ክብሉ ብምግላጽ ተሓተቲ ናብ ፍርዲ ብምቅራብ ግቡኦም ንኽረክቡ ብዘይውልውል ክንሰርሕ ኢና ኢሎም። ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኣሜሪካ ኤምባሲ’ውን በቲ ፍጻመ ከምዝጎሃየ ገሊጹ’ሎ። ብካልእ ዜና ዝኾነ ሕቶን ቅሬታን እንተሃልዩ ተቃውሞ ብዝሰልጠነ መንገዲ ብዘይገለ ጥፍኣት ሕጊ ተኸቲልካ ምቅራብ ባህልና ንግበር ክብሉ ሊቃ ጳጳሳት ዘካቶሊካዊያንን አካቢ ኮሚሽን ዕርቀ ሰላም ኢትዮጵያ ካርዲናን ብርሃነየሱስ ሱራፊኤል ጸዊዖም። ኣብ ዋዕላ ሩስያ ኣፍሪቃ ድሕሪ ምስታፍ ናብ ኢትዮጵያ ዝተመልሱ ቀዳማይ ሚንስት ኣብይ ኣሕመድ ድሕሪ ምምላሶም ኣብ ዘውጽእዎ ና ጽሑፍ መግለጺ ሎሚ ቅነ ዝተፈጸመ ኣዝዩ ዘሕዝን ግጭት ኣብ ልዕሊ ዜጋታትናን ንብረቶምን ዝወረደ ኹሉ ሓዘነይ እገልጽ ድሕሪ ምባል ዘጋጠመና ፈተና ኢትዮጵያዊያን እንተዘይተሓባቢርና ሓደ ኾይና እንተዘይቆምና መንገድና ኣዝዩ ኣጸጋሚን ዘፍርሕን ከምዝኸውን መርአያ’ዩ ኢሎም። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ሚንስትሪ ምክልካል ለማ መርገሳን ምክትል ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ኣቶ ሽምለስ አብዲሳ ካብ ኩሉ ከባቢታት ክልል ኦሮምያ ምስ ዝተዋጽኡ አባገዳታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ወከልቲ ሕብረተሰብን ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ልዝብ አካይዶም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%8B%88%E1%8C%88%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%88%88%E1%8D%88-%E1%88%B0%E1%88%99%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5%E1%8A%95\/5142829.html"} {"headline":"ኤርትራ:ህዝብን ሰራዊትን ወፈራ ዓጺድ ይካይድ ኣሎ","content":"ሎሚ ዓመት ኣብ ባሕሪ ንዘሎ ህጡር ክራማት ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ናይ ኤርትራ ንዝቕጽል ሓደ ወርሒ ዝናብ ስለዝህሉ ጨንፈር ሚንስትሪ ሕርሻ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ ምስ ምምሕዳራትን ሰራዊትን ብምትሕብባር ህዝብን ሰራዊትን ዝሳተፎ ወፈራ የካየድ ከምዘሎ ሓላፊ ቁጠባዊ ልምዓት ናይቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ኪሮስ ክፍለሚካኤል ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ። ኣብ’ቲ ወፈራ ዝተሳተፉ ሓረስቶትን ኣባላት ሰራዊትን ብግዲኦም ነቲ ምህርቲ ብኣጋ ንምእካብ ለይትን ቀትርን ብተወፋይነት ይሰርሑ ከምዘለዉ ተዛሪቦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%88%E1%8D%88%E1%88%AB-%E1%8B%93%E1%8C%BA%E1%8B%B5-%E1%8B%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%88%8E\/5142638.html"} {"headline":"ፕረ. ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንምክትል ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣዘራርሪቡ","content":"ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቀዳም 26 ጥቅምቲ ብምክትል ዋና ጸሓፊ ሚስ ኣሚና ሞሓመት ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ተቀቢሉ ኣብ ዓዲ ሃሎ ከምዘዘራረበ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ሻባይት ገሊጹ። እቲ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ዝተፈላለዩ ሚንስተራት ተራኺቡ ኣብ ምሕያል ዓቕምታት ደቂ ኣንስትዮ፡ኣብ ዞባዊ ውህደትን ሽርክነታዊ ዝምድና ኤርትራን ሕቡራት ሃገራትን ዘተኮረ ዝርርብ ከምዘካየደ ሻባይት ገሊጹ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AD%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%88%8D-%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%8A-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%95%E1%89%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AD%E1%88%AA%E1%89%A1\/5142611.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተራእየ ዕስለ ኣንበጣ ናብ 8 ወረዳታት ምስፍሕፍሑ ተገሊጹ","content":"ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን እቲ ክልል ከምዝሓበሮ እቲ ዕስለ ኣንበጣ ንምክልኻል ህዝቢ ብስፋሓት ይሳተፍ ከምዘሎ እዩ:: በነፋሪት ተጠቒምካ ኬሚካል ናይ ምንጻግ ስራሕ ሎሚ ሶኑይ ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ከምዝተጀመረ እውን እቲ ቢሮ ኣፍሊጡ:: ኣብ ዝሓለፊ ሰሙን ረቡዕ 12 ጥቅምቲ 2012 ድሕሪ ቀትሪ ብክልል ዓፋር ኣቢሉ ኣብ መዋስንቲ እቲ ክልል ናብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ውላጋ ኣብ ዝበሃል ከባቢ እዩ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ምእታው ተፈሊጡ’ሎ:: እቲ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ 8 ወረዳታት ምስፍሕፍሑ ኣብ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ኣይተ ሚኪኤለ ምሩፅ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም:: ንሶም ነቲ ዕስለ ኣንበጣ ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ተማሃሮን ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ትግራይን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ይሳተፉ ኣለዉ ኢሎም:: ብፍላይ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ናይ ዝርከቡ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ደገፍቲ መናእሰይ ብምልዕዓል እቲ ዕሰለ ኣምበጣ ኣብ ምክልኻል ልዑል ግደ የበርክቱ ኣለዉ ኢሎም:: ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ገጾም ትማሊ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ: ዕስለ ኣንበጣ ንምክልኻል ንዝወፈሩ መናእሰይ ዘለዎም ልዑል ክብርን ናእዳን ገሊፆም:: ኣብ ምክልኻል እቲ ዕስለ ኣንበጣ መንግስቲ ዘመናዊ መከላኸሊ ሜላ ኣይጥቀምን ዘሎ ዝብል ዝቐረበሎም ሕቶ ኣይተ ሚኪኤለ \"ኬሚካል ቀትሪ እንትንፀግ ስለዘይረኣዩ እዮም ከምኡ ዝብሉ ዘለዉ እምበር መድሓኒት ወጋሕታ ሰዓት 10 ኣትሒዙ ክሳብ ሰዓት ክልተ ይንፀግ ኣሎ\" ኢሎም። ብነፋሪት ኬሚካል ናይ ምንፃግ ስራሕ እውን ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ማሩ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ሎሚ ምንጻግ ተጀሚሩ’ዩ ኢሎም:: ኣብ ሸሞንተ ወረዳታት ክሳብ ሐዚ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ዝተርኣየሎም ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ዘራእቲ ዘብፀሖ ጉድኣት ኣሎ’ዶ ንዝብል እውን ልዑል ምክልኻል ይግበር ስለዘሎ ክበፅሕ ዝኽእል ጉድኣት ትሑት እዩ:: ድሕሪ እቲ ስራሕ ምክልኻል ድማ ዘብፀሖ ጉድኣት ፀብፃብ ንህዝቢ ነፍልጥ ኢና ክብሉ ንኣይተ ሚኪኤለ ኣረዲኦም:: ንሶም ወሲኾም ነቲ ዕስለ ኣንበጣ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ይንቀሳቐስ ስለዘሎ ሕብረተሰብ ቀልጢፉ ዝበፅሑ ዘራእቱ ክዓፅድን ክእክብን ይግባእ ኢሎም:: ብተወሳኺ ድማ እቲ ዕስለ እንትርአ ብቕልጡፍ ንሰብ ሞያ ሕርሻ ሓረስቶት ከፍልጡ ይግባእ ኢሎም :: ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ፖለቲካዊ ውድባት ዓረና ትግራይ ንሉኣላውነትን ዴሞክራሲን፣ ሳልሳይ ወያነ ትግራይን ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ ባይቶናን ኣባላቶም ናብ ዕስለ ኣንበጣ ዝተርኣየሎም ከባቢታት ኣዋፊሮም ኣብ ምክልኻል ዕስለ ኣንበጣ ግደኦም የበርክቱ ከምዘለው’ውን ተሓቢሩ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%88%88%E1%8D%88-%E1%88%B0%E1%88%99%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%A5%E1%8B%A8-%E1%8B%95%E1%88%B5%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%8C%A3-%E1%8A%93%E1%89%A5-8-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8D%8D%E1%88%95%E1%8D%8D%E1%88%91-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5142607.html"} {"headline":"ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንግጭት ዝሃብዎ ግብረመልሲ ትነቕፍ","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ድሕሪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ህይወት 67 ዘጥፈአ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ግጭት ብቐዳም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብታ ሃገር ዝያዳ ዘይምርግጋእ ክፍጠር ከምዝኽእል ብምጥንቃቕ ተሓተቲ ናብ ፍርዲ ከምዝቐርቡ ገሊጾም። “ኢትዮጵያዊያን ሓቢርና ብሓደ ደው እንተዘይኢልና እዚ ገጢሙና ዘሎ ቀውሲ ዝያዳ ዘፍርሕን ኣጸጋሚን ክኸውን’ዩ”ኢሎም። ንሶም ብተወሳኺ ንጽኑዕ ልዕልና ሕጊን ተሓትቲ ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ከምዝሰርሑ ገሊጾም። ተዓዋቲ ሽልማት ኖበል ሰላም 2019 ዝኾኑ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣንጻር መንግስቶም ዝተላዕለ ተቓውሞ ብቕልጡፍ መልክዑ ቐይሩ ናብ ዓሌታዊን ሃይማኖታዊን ግጭት ምዕራጉ’ውን ኣብ መግለጺኦም ሓቢሮም። ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን መራሒ ዝኾኑ አባ ማርቆስ ገብረእግዚኣብሄር ነዚ ስዒቡ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ “ ሰባት ይሞቱ ኣለው፡ ገለ እውን ንህላወ እቲ መንግስቲ ክጠራጠሩ ጀሚሮም ኣለው። ህዝቢ ተስፋ ይቆርጽ ኣሎ” ኢሎም። ሓላፊ ፖሊስ ክልል ኦሮምያ ከፍያለው ተፈራ ብዓርቢ ሓሙሽተ አባላት ፖሊስ ዝርከብዎም 67 ሰባት በቲ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ግጭት ምሟቶም ምግላጾም ይዝከር። ንሶም ብተወሳኺ እቲ ኩነታት ምርግግጋኡ እንተሓበሩ'ኳ ሚንስትሪ ምክልካል እታ ሃገር ግን ኣብ ሸውዓተ ግጭት ዝተላዕለሎም ዝበሎም ከባቢታት ሰራዊት ምውፋሩ ኣፍሊጡ’ሎ። አባ ማርቆስ ወሲኾም “ ንሶም ጎዘሞ ሒዞም ክመጹ ከለው ንሕና ድማ መስቀል ሒዝና ክንጽበዮም ኢና። ሓይሊ ናይ እግዚኣብሄር እዩ ንሱ ድማ ክሕግዝነና ኢዩ። እግዚኣብሄር ምሳና እዩ” ኢሎም። ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ራይኖር ብቐዳም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ምምሕዳር ሃገሮም በቲ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ጽልኢ፡ ጎነጽን ግጭት ዘለዓዕሉ ቃላትን ምህዛኑ ገሊጹ። “ከምቲ ኩልኹም ትነግሩና ክትርእይዎ ትደልዩ ሰላም ዝሰፈና፡ብልጽግቲን ብፖለቲካ ንኹሉ ትሓቑፍ ኢትዮጵያን ንምህናጽ ኢትዮጵያዊያን ክሓብሩን ነዚ ራእይ ክውን ንምግባር ክጸዕሩን ይግባእ” ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A6%E1%88%AD%E1%89%B6%E1%8B%B6%E1%8A%AD%E1%88%B5-%E1%89%A4%E1%89%B0%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%83%E1%89%A5%E1%8B%8E-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%89%B5%E1%8A%90%E1%89%95%E1%8D%8D\/5142502.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተላዕለ ጎንጺ ምርግጋኡ ሚ\/ምክልካል ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ተፈጢሩ ዝነበረ ጸገም ጸጥታ ናብ ምርግጋእ ከምዝተመልሰ ሚንስትሪ ምክልካል ኣፍሊጡ። ኣብ ሰራዊት ምክልካል ኢትዮጵያ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ሜጀር ጀነራል መሃመድ ተሰማ ከምዝበልዎ ብመሰረት ካብቲ ክልል ዝቐረበሎም ሕቶን ካብ ፈደራል መንግስቲ ብዝተዋህበ ትእዛዝን ሰራዊት ተልእኽኡ ክፍጽም'ዩ ኢሎም። ብካልእ ዜና ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ኣፋን ኦሮሞ ሙኽታር ጀማል ትማሊ ኣብ ከተማ አዳማ ኣብ ስራሕ ከሎ ብጉጅለ መንእሰያት ተሃሪሙ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ሕክምና ይርከብ። ድሕሪ'ቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተራእየ ጎንጺ ንፈለማ ጊዜ መግለጺ ዝሃቡ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ሚንስትሪ ምክልካል ሜጀር ጀነራል መሃመድ ተሰማ ሰላማዊ ዝነበረ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቃስ;ዩ ናብ ጎነጺ ዘምርሓ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8C%BA-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%8C%8B%E1%8A%A1-%E1%88%9A-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5139888.html"} {"headline":"ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ክልል ኦሮምያ ብዝተላዕለ ተቓውሞ 16 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ","content":"ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ደገፍቲ ኣክቲቪት ጀዋር መሃመድ ትማሊ ኣብ ሓያለ ከተማታት ኦሮምያ ዝጀመርዎ ተቓውሞ ሎሚ’ውን ቀጺሉ ናይ ብሄርን ሃይማኖትን መልክዕ ከምዝሓዘ ተሓቢሩ። ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኦሮምያ ብውሑዱ 16 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ። ጀዋር መሃመድ ሓዊሱ መራሕቲ ውድባት ፖለቲካን መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲን እቲ ጎንጺ ደው ክብል መጸዋዕታ ድሕሪ ምቅራቦም እቲ ኩነታት ምህድኡ፡መንገድታት’ውን ይኽፈት ምህላው ተገሊጹ’ሎ። እቲ ተቓውሞ ትማሊ ዝተላዕለ ኣብ አዲስ አበባ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ጀውሃር መሃመድ ብሓይልታት ፈደራል ተኸቢቡ ዝብል ወረ ምስ ተሰምዑ’ዩ። ቕድም ክብል ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብታ ሃገር ግጭት ዘለዓዕሉ ኣብ ልዕሊ ዝበልዎም መሓውራት ዜና መጠንቐቕታ ምሃቦም ይዝከር። ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምዕራብ አርሲ ዶዶላ ኣብ ዝተባህለ ከተማ ኣብ እዋን ተቓውሞ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ኣርባዕተ ሰባት ሞይቶም ልዕሊ 40 ድማ ቆሲሎም። ቁጽሮም ዘይተፈልጠ አባይቲ ብሓዊ ከምዝነደዱ ነበርቲን ፖሊስ’ታ ከተማ ገሊጾም። ሓደ ሃብታሙ’ዩ ስመይ ዝበለ ነባሪ’ታ ከተማ ትማሊ ዝጀመረ አባይቲ ናይ ምንዳድ ተግባር ሎሚ’ውን ከምዝቀጸለ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም። “ሆ እንበሉ መጺኦም አባይቲ ምንዳድ ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ’ውን ቀጺሉ’ሎ፡ቤተ ክርስትያን’ውን ኣንዲዶም፡ይነድድ’ውን ኣሎ”። ነዚ ዝፈጸሙ ቄሮ’ዮም ክብሉ እቶም ነባሪ ይዛረቡ። ናይታ ከተማ ሓላፊ ስራሕ ጸጥታ ሳጅን ሃጂ ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝበልዎ ግን’ቲ ጎንጺ ዝተፈጥረ መንእሰያት ኦሮሞ ንኣክቲቪስት ጀዋር መሃመድ ደገፍ ድሕሪ ምግላጾም ብዘይተፈልጠ ኩነታት ኣብ መንጎ መንእሰያት ኦሮሞን ኣምሓራን ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ምኳኑ ገሊጾም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A8-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%88%9E-16-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5138301.html"} {"headline":"ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ወኪላት ትግራይ ሕቶታትና ከይነቕርብ ተዓፊና ኢሎም","content":"ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንትግራይ ዝወከሉ ኣባላት ፓርላማ ሶኑይ ኣብ ዝተኻየደ ስሩዕ ኣኼባ ንቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ሕቶታት ከይነቕርብ ተዓፊና ክብሉ ቅሬትኦም ገሊፆም።ካብ ሸውዓተ ሕቶታት ንሓንቲ ጥራሕ ንምቕርባ ከምዝተፈቐደሎም ንቪኦኤ ዝገለፁ ኣባል ፓርላማን ኣብቲ ቤት ምኽሪ ተፀዋዒ ምንስቴር ድኤታ መንግስትን ኣቶ ገረዝግሄር ኣርኣያ እዮም። እቶም ዘይተመለሱ ሕቶታት ፈፃሚ ኣካል ንስልጣን ፓርላማ ብምውሳድ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኮማንድ ፖስት ክእውጅ ብምንታይ መስርሕ?ጀነራላት ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ዝተፈፀመ ቕትለት ምርመራ ኣበይ በፅሐ? ዓበይቲ ናይ ልምዓት ወይ ሜጋ ፕሮጀክታት ስለምንታይ ጠጠው ኢሎም? ዝብሉን ካልኦትን ምዃኖም ኣቶ ገረእግዝሄር ገሊፆም። ምኽትል ኣፈጉባኤ ፓርላማ ወ\/ሮ ሽታየ ምናለ ኣብ ዝሃብኦ መልሲ ካብ ኣባላት ፓርላማ ዝቐረቡ ልዕሊ 90 ሕቶታት ምንባሮምን ካብዚኦም 15 ኣገደስቲ ሕቶታት ጥራሕ ከምዝተመርን ብምግላፅ ክምረፁ ከለው ካብ ኣምሓራ፣ካብ ትግራይ፣ካብ ኦሮሚያ ብዝብል ኣይኮነን ኢለን። ምስ ኣቶ ገረዝግሄር ሓቢሮም ስለዝሰርሑ ኣብ ክንዲ ናብ ሚዲያ ምኻድ መስአን ክዘራረቡ ምሐሸ ነይሩ ዝበላ ምኽትል ኣፈጉባኤ ሽታየ ምናለ ቅር ዝበሎም ኣባላት ካልኦት ውዳባት እውን ብስልክን ብኣክልን ሕቱኦም ከምዘቕረቡን ሕቶታት ዝተመረፅሉ ኣገባብ ብኣገዳስነቶምን እዋናውነቶም ስልጣን ብዝተውሃቦም ኣፈጉባኤታት እዩ ዝምረፅ ኢለን። ኣብ ትሕዝቶታት፣እዋናዊነትን ኣገዳስነትን ብናይ ትግራይ ወኪላት ዝቐረቡ ሕቶታት ንምዝርራብ ቅርብቲ ከምዘይኮና ገሊፀን ኣለዋ። ምሉእ ትሕዝቱኡ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/tigray-mps-complaints-in-parliament-and-the-deputy-speaker-of-the-house-of-peoples-representative\/5138119.html"} {"headline":"'ህውሓት ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምግጫውን ኹናት ንምውላዕን ይሰርሕ’ሎ' ዶ\/ር ኣረጋዊ በርሃ","content":"ህውሓት ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምግጫውን ኹናት ንምውላዕን ይሰርሕ’ሎ ክብሉ ኣቦ መንበር ፓርቲ ዲሞክራሲያዊ ምትሕብባር ትግራይ ዶ\/ር ኣረጋዊ በርሃ ሓቢሮም። ዶ\/ር አረጋዊ ወሲኾም ተኸቢብካ’ለኻ ብዝብል ቅስቀሳ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰራዊት ይምልምልን ተወሳኺ መደበራት ሰራዊት ይኸፍት’ሎ ክብሉ’ውን ንህውሃት ከሲሶም። ኣቦ መንበር ፓርቲ ዲሞክራሲያዊ ምትሕብባር ትግራይ ዶ\/ር አረጋዊ በርሀ ህውሓት ህዝቢ ንህዝቢ ንምግጫውን ኹናት ንምውላዕን ኣብዚ እዋን’ዚ ይሰርሕ’ሎ ክብሉ ዝተዛረቡ ፓርቲኦም ፕሮግራሙ ንፈለማ ጊዜ ኣብ ዝሓለፈ ቐዳም ኣብ አዲስ ኣበባ ሃገር ፍቅር ትያትር ብወግዒ ኣብ ዘላለየሉ እዋን’ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%8C%AB%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8A%B9%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%88%8E-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%88%A8%E1%8C%8B%E1%8B%8A-%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%88%83-\/5136648.html"} {"headline":"ንሓለውቲ ጀዋር መሓመድ ብሓይሊ ንምልዓል ዝተገበረ ፈተነ ስዒቡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከተማታት ክልል ኦሮሚያ ቁጥዐን ተቓውሞን ኣልዒሉ’ሎ","content":"ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያዊ ጀዋር መሓመድ ትማሊ ንሓለውቱ ብሓይሊ ንምልዓል ዝተገበረ ፈተነ ስዒቡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ከተማታት ክልል ኦሮሚያ ቁጥዐን ተቓውሞ ኣልዒሉ’ሎ።በቲ ኹነታት ዝጠፍአ ህይወት ሰባትን ዝቖሰሉን ከምዘለውን መንገድታት እውን ከምዝተዓጸውን ተፈሊጡ’ሎ። ትማሊ ከባቢ ፍርቂ ለይቲ ኣብ መንበሪ ገዛ ጀዋር መሓመድ ተፈጢሩ ብዛዕባ ዝተባህለ ክስተት ጀዋር መሓመድ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገፁ ዘውፅኦ ሓበሬታ ስዒቡ ኣብዝተፈላለዩ ከተማታት ኦሮሚያ ተቓውሞ ተላዒሉ’ሎ። ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ደገፍቲ መናእሰይ ድሕንነት ጀዋር መሓመድ ኣስጊኡና’ሎ፤ክቕተል እውን ይኽእል እዩ ብዝብል ለይቲ ናብ ገዝኡ ብምውሓዝ ንገዝኡ ከቢቦምዎ ሓዲሮም ኣለው።ሓደ ወሃቢ ርእይቶ ከምዚ በለ። “ጀዋር መሓመድ ፍሉጥ ኣክቲቪስት ከም ምዃኑ ካብ መንግስቲ ይኹን ካብ ናይ ኣምሓራ ኢሊታት ምፍርራሕ ይወርዶ ስለዘሎ ነዚ ምፍርራሓን ፈኸራን እንተድኣ ዘይመኪትናዮ ህዝቢ ኦሮሞ ተመሊሱ ክብተን ስለዝኾነ ናትና ንዝኾነ ጀዋር መሓመድ ናይ ምሕላው ናይ ታሪኽ ሓላፍነት ኣለና።” እቶም ሰልፈኛታት ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊኡ ይፍነው ኣሎ ዝበልዎ ምፍርራሕ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ እውን ብቐጥታ ዝተዛረቡዎ ንዕኡ ስለዝኾነን ከይቐትሉዎ ስለዝሰጋእና ኢልና ኢና ወፂእና ኢሎም። ጀዋር መሓመድ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብዝሃቦ ርእይቶ ንዕኡ ከይተዛረቡዎ ንሓለውቱ ምልዓል ካልእ ዕላማ ዘለዎ እዩ ኢሉ። “ብሓፈሻ ክርእዮ ከለኹ ኣብ ውድቕቲ ለይቲ፣ሓለውቲ ክልዓሉ ምግባር ዘይልሙድ ዝኾነ ካብ መንግስቲ ፈፂሙ ትፅቢት ዘይግበረሉ ስራሕ ከምዝኾነን፣ነቶም ሓለውቲ ብምልዓል ንመናእሰይ ናብ ውሽጢ እቲ መንበሪ ብምእታው ስጉምቲ ናይ ምውሳድን ብስቪላት ንምምስማስን ዝተሓሰበ ነገር ከምዘሎ ኢና ሰሚዕና።” ነዚ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኦሮሚያ ቁጥዐን ሰላማዊ ሰልፊን ተኻይዱ’ሎ።ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘእትው መንገድታት’ውን ተዓፂዮም ኣለው። ናይ ፌደራል ፖሊስ ኮሚሽን ኮሚሽነር ጀነራል እንዳሻው ጣሰው ጀዋር ንዕኡ ክሕልው ተመዲቦም ዝነበሩ ሓልውቲ ክልዓሉ ብፌደራል ፖሊስ ይስራሕ ስለዘሎ እዮም ክልዓሉ ዝተገብሩ ኢሎም። ናይ ውልቂ ሓለውቲ ናይ ምልዓል ስራሕ ክንሰርሕ ፀኒሕና ኢና።ንመጻኢ እውን ከም ኣድላይነቱ እናፈለና ክንሰርሕ ኢና።ስለዚ ብፖሊስ ስጉምቲ ተወሲዱኒ ኢሎም ዘሕለፉዎ መልእኽቲ ጌጋ እዩ።ብፖሊስ ይኹን ብመንግስቲ ዝተውስደ ስጉምቲ የለን።እቲ ሕብረተሰብ ክፈልጦ ስለዘለዎ ኢና ነዚ መብርሂ ንህብ ዘለና ኢሎም። No media source currently available እቶም ኮሚሽንር ንመንእሰያትን ሕብረተሰብን ከምኡ እውን በብከባቢኡ ዝርከቡ ሓይልታት ፀጥታ ዝተዓፀው መንገድታት ክኽፈቱ ብምግባር እቲ ሕብረተሰብ ብሰላማዊ ኣገባብ ክንቀሳቐስ ክገብሩ ኣተሓሳሲቦም ኣለው ። ኣብ ጎደናታት ከተማ ኣምቦ እውን ሰባት ናይ ተቓውሞ ድምፆ ኣስሚዖም ኣለው። ‘’ጀዋር ዓይንና እዩ’’፣ ‘’ኣብ ልዕሊ ጀዋር ዝፍፀም መጥቓዕቲ ከም ኣብ ልዕሊ ቄሮ ዝፍፀም መጥቓዕቲ እዩ’’ዝብሉ ጭርሖታት የስምዑ ነይሮም። ናይቲ ክልል ፖልስ ነቲ ሰልፊ ንምብታን ቶኽሲ ብምኽፋት ካብ ዘቑሰሎም ሓደ ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለየ መንእሰይ ኣብ ’’ፊት ንፊት ዩኒቨርስቲ ኣዋሮ እየ ቆሲለ።ፖሊስ ቶኪሱ መንኮበይ ተሃሪመ፤ሕጂ ተሓኪመ ኣለኹ’’ኢሉ። ነቶም መናእሰይ ካብ ዝሓከሙ ሓደ ዶ\/ር ፍራውል ብዛዕባ እቶም ዝተጎድኡ ከምዚ ኢሎም። “ኣብ ሆስፒታል ኣምቦ ደቂሶም ይሕከሙ ዘለው ሰለስተ እዮም።ሰለስቲኦም ብጥይት እዮም ቆሲሎም።እቲ ሓደ ኣብ ከብዱ ተውቒዑ መጥባሕቲ ይገብረሉ ኣሎ።” እቲ ካልኣይ ኣብ ሕቑኡ እቲ ሳልሳይ ድማ ኣብ መንኮቡ ከምዝቖሰለን ሕክምና ይገብረሎም ከምዘለውን እቶም ሓኪም ገሊፆም። ድምፂ ቶኽሲ ስዒቡ ናብ ኣምቦ ዘእትውን ካብ ኣምቦ ዘውጽእኑን መንገድታት ተዓፂዮምን ፈቐዶ መንገድታት ጎምታት ክቃፀሉን ተራእዮም ኣለው። ምንቅስቓስ መጎዓዚያን ንግድን ደውው ኢሉ፣ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ድማ ተዓፂዮም ምውዓሎም ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ናይ ዓይኒ ምስክርነቱ ካብቲ ቦታ ሓቢሩ’ሎ። ኣብ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ብኣሽሓት ዝቑሰሩ ሰልፈኛታት ንጀውሃር መሓመድ ደገፎ ገሊፆም ኣለው። ኣብ ወረዳ ኣወዳይ እውን ሰለስተ ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ነበርቲ ሓቢሮም። ኣብ ድሬዳዋ እውን ዝሞተ ሰብ ከምዘሎ ተፈሊጡ’ሎ። ናይ ኦሮሚያ ክልላዊ መንግስቲ ምኽትል ፕረዚዳንት ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብ ልዕሊ ጀዋር መሓመድ ዝተፈፀመ ተግባር ጌጋ እዩ፤መን ከምዝፈፀሞን ስለምንታይ ኣብ ምሸት ከምዝተገብረን ኣፃሪና ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ኢሎም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%88%93%E1%88%88%E1%8B%8D%E1%89%B2-%E1%8C%80%E1%8B%8B%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%88%93%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%89%A5%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%8D%88%E1%89%B0%E1%8A%90-%E1%88%B5%E1%8B%92%E1%89%A1-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9A%E1%8B%AB-%E1%89%81%E1%8C%A5%E1%8B%90%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%88%9E-%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%8B%92%E1%88%89-%E1%88%8E\/5136612.html"} {"headline":"መግለጺ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብርፅዮን ገብረሚካኤል","content":"ህልውና ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ንምእታው ይስራሕ ኣሎ ነዚ ምምካት ከምዝተሰርሐን ሐዚ እውን መንግስቲ እቲ ክልል ሰላም ኣብ ምሕላው ብዕቱብ ይሰርሕ ምህላዉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብርፅዮን ገብረሚካኤል ተዛሪቦም:: እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ጠሚቱ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺካብ ጋዜጠኛታት ንዝተልዓሉ ሕቶታት ምላሽ ሂቦም:: No media source currently available ኣብ ጉዳይ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ: ፕሬዚደንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናብቲ ክልል ዶብ ከፊቶም ብመኪና እንተመፂኦም ክንቕበሎም ኢና: ነባሪ ሰላም ኣብ ሞንጎ ክልቲኣን ሃገራት ክመፅእ ንምግባር ትካላዊ አስራርሓ ምዝርጋሕ የድሊ ኢሎም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%88%8D-%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%88%B0-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%B6%E1%8A%AD%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%8D%85%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%9A%E1%8A%AB%E1%8A%A4%E1%88%8D\/5136569.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣቢይ፡ ህንጸት ግድብ ህዳሴ ዝዓግት ሓይሊ የለን ኢሉ።ኣብ ልዕሊ ገለ ሚድያታት ስጉምቲ ንምውሳድ ኣጠንቂቑ","content":"ኣብ ውሽጢ ዝቕጽል ክልተ መዓልታት ምስ ናይ ግብጺ ፕረዚደት ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ከምዝዘራረቡ ዝገለጹ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ንህንጸት ግድብ ህዳሴ ዝዓግት ሓይሊ የለን ኢሎም። ብሓደ ሓደ ወገናት ግብጺ ዝንጸባረቕ ናይ ሓይሊ አማራጺ ጉዳይ ብዝምልከት’ውን ንዋጋእ እንተተባሂሉ ብዙሕ ሚልዮን ከነስልፍ ንኽእል ኢና ውጽኢቱ ግን ንማንም ዝጠቅም ኣይኮነን ኢሎም። ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ናይ ሎሚ ናይ ፓርላማ መብርሂኦም ኣብ ልዕሊ ህልውናን ሰላምን ሓደጋ ዘንጸላልው ንዝበልዎም ናይ ኢትዮጵያ መራኸቢ ብዙሃን’ውን ትርር ዝበለ መጠንቐቕታ ሂቦም ኣለው። ኣምሓርኛ ኾነ ኣፋን ኦሮሞ ዝዛረቡ መሓውራት ዜና ስጉምቲ ምውሳድና ኣይተርፍን’ዩ ኢሎም። ኣብ ጉዳይ ህንጸት ግድብ ህዳሴ ካብ ወገን ግብጺ ዝስምዑ ቕሬታታት ኣብ ዝተበራኸትሉ እዋን’ዩ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ናይ ግብጺ ፕረዚደንት መዘንኦም ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ከምዝራኸቡ ትጽቢት ዝግበር ዘሎ፡ ኣብ ጎኒ’ቲ ኣብ ሩስያ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ሩስያ ኣፍሪቃ ኾይኑ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ ውጽኢቱ ምግማት ኣይከአልን። ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ካብ አባላት ፓርላማ ንዝቐረበሎም ሕቶ እቲ ሓደ ጸገም እቲ ግድብ በቲ ዝተመደበሉ ጊዜ ዘይምዝዛሙ’ዩ ኢሎም። No media source currently available “ግድብ ህዳሴ ቐዳማይ ንጠቕምን ክብርን ኢትዮጵያ ዘኽብር ካልኣይ ምንዮትን ፕሮፓጋንዳን ፈሊኻ ብሳይንሳዊ መንገዲ ብፍልጠት ስራሕ ፕሮጀክት ማነጅመንት ሳልሳይ ንታሕተዎት ናይቲ ተፋሰስ ሃገራት ብዘይጎድእ መንገዲ ክፍጸም’ዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ንህዝቢ ግብጺ ናይ ምጉድእ ድልየት የብሉን ። ክጥቀም ጥራይ’ዩ ዝደሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንድለየት ግብጺ ንምጉዳእ ዋላ ሓንቲ ሕልሚ የብሉን።” ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A2%E1%8B%AD-%E1%88%95%E1%8A%95%E1%8C%B8%E1%89%B5-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%8B%9D%E1%8B%93%E1%8C%8D%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%8B%A8%E1%88%88%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%88%89-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8C%88%E1%88%88-%E1%88%9A%E1%8B%B5%E1%8B%AB%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%B5%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%8C%A0%E1%8A%95%E1%89%82%E1%89%91\/5134979.html"} {"headline":"ዘተ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ፆታዊ መጥቓዕቲ ስለምንታይ ይውስኽ ኣሎ?(3ይ ክፋል)","content":"ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝፍፀም ዘሎ ፆታዊ መጥቓዕቲ እኹል ትኹረት ኣይረክብን ዘሎ ይብሉ ዘዘራርብናየን ደቂ ኣንስትዮ።ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሓዊሱ ዓብይ ናይ መዘራረቢ ኣጀንዳ ኮይኑ ዝርከብ ፆታዊ ጥቕዓት ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ እውን ማዕረ እቲ ዝወርድ ዘሎ መጥቓዕቲ ኣይሰርሕን ዘሎ ኢለን። ‘’እቲ ሰብ ነቲ ጥቕዓት ከም ንቡር ይወስዶ’ሎ።ሓደ ሰብ ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ምስደፈራ ተመርዓዋ ተባሂሉ ኣብ እትነብረሉ ዓብዪ ከተማ መቐለኮ እየ ዝነብር ዘለኹ’’ ትብል ኣብ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ፍትሕን ብውልቃ እንትንቀሳቐስ ፅዴና ኣባዲ። ‘’ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ካብ ፖለቲካ ነፃ እያ ኢለ ኣይኣምንን’’ ዝበለት ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ትሕለቕ ዶ\/ር ሄለን ቴድሮስ እታ ማሕበር ካብቲ ትሰርሖ ዘላ ፅቡቕ ነገራት ንላዕሊ ክትሰርሕ ኣለዋ፣ጥቕዓት ምስ በፅሐ ምሕጋዝ ዘይኮነስ እቲ መጥቓዕቲ ከይፍፀም ክስራሕ ኣለዎ ክትብል ገሊፃ። ሓላፊት ርክብ ህዝቢ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ወ\/ሮ ኤልሳ መሓሪ ብወገና ‘’እታ ማሕበር ክንድቲ ዝድለ ነፃነታ ሓሊያ ኣብ ምኻድ ዓብይ ክፍተት ነይሩ እዩ፣ተገምጊሙ ድማ እዩ’’ ምስ በለት ድሕሪ ደጊም ግን ድምፂ ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ክትቕፅል ናይ ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ድልየት እዩ ክትብል መሊሳ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/sexual-violence-on-women-and-girls-part-three\/5134800.html"} {"headline":"‘ሽልማት ኖበል ሰላም 2019 ጸገም ኣፍሪቃዊያን ኣፍሪቃዊ መፍትሒ ክግበረሉ ከምዝኸአል ዘረጋገጸ’ዩ’ሙሳ ፋቂ","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዝተዓወትሉ ሽልማት ኖበል ጸገም ኣፍሪቃዊያን ኣፍሪቃዊ መፍትሒ ክግበረሉ ከምዝኸአል ዘረጋገጸ’ዩ ክብሉ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ማሃመት ተዛሪቦም። ንሶም ነዚ ዝበሉ ብምኽንያት ሽልማት ኖበል ሓጎሱ ንምግላጽ ሚንስትሪ ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳለዎ ስነ ስርዓት ኣብ ዝተረኽብሉ’ዩ። ብፍላይ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰላም ንክሰፍን ኣበርኽቶ ንዝገበሩ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘመስገኑ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ብወገኖም እቶም ፕረዚደንት ኣብ ጎደናታት መቐለ ዝዘዋወርሉ መዓልቲ ክመጽእ ጸልዩ ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ኣለው። ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ናይ 2019 ተዓዋቲ ሽልማት ኖበል ሰላም ብምዃኖም ኣብ አዲስ አበባ ሚለንየም አዳራሽ ናይ ሓጎስ መግለጺ ስነ ስርዓት ብሚንስትሪ ሰላም ኣብ ዝተካየደሉ እዋን መደረ ዝገበሩ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቒ መሃመት እቲ ሽልማት ነቲ ኣህጉር እውን ዝተዋህበ’ዩ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%BD%E1%88%8D%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%8A%96%E1%89%A0%E1%88%8D-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-2019-%E1%8C%B8%E1%8C%88%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%92-%E1%8A%AD%E1%8C%8D%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%88%89-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%B8%E1%8A%A0%E1%88%8D-%E1%8B%98%E1%88%A8%E1%8C%8B%E1%8C%88%E1%8C%B8-%E1%8B%A9-%E1%88%99%E1%88%B3-%E1%8D%8B%E1%89%82\/5133593.html"} {"headline":"‘ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተመደቡ ሓደስቲ ተማሃሮ ንጉድኣት ዘቓሎዖም ዝኾነ ዓይነት ስግኣት ደሕንነት የለን’ ም\/ፕረ ወሎ ዩኒቨርስቲ","content":"ካብ ክልል ትግራይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቶም ንምቕጻል ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተመደቡ ሓደስቲ ተማሃሮ ንጉድኣት ዘቓልዖም ዝኾነ ዓይነት ስግኣት ደሕንነት የለን፡ ተማሃሮ ንምትእንጋድ’ውን ዩኒቨርሲቲታት ወሎን ደብረብርሃንን ድልዋት እዮም ክብሉ ምክትል ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ወሎ ኣፍሊጦም። ንሶም ወሲኾም ክልቲኣን ዩኒቨርሲቲታት ካብ ክልል ትግራይ ንዝተመደቡ ተማሃሮ ይቕበሉ ምህላዎም’ውን ገሊጾም ኣለው። ክልል ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ዝተመደቡ ሓደስቲ ተማሃሮ ናብቲ ክልል ኣይልእኽን ምባሉ ክልል ኣምሓራ ስግኣት ደሕንነት ከምዘሎ ኣምሲልካ ምቅራቡ ምክንያታዊ ኣይኮነን ክብሉ እውን ምክትል ፕረዚደንት ወሎ ዩኒቨርሲቲ ዶ\/ር መንገሻ ኣየለ ገሊጾም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%B0%E1%89%A1-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%83%E1%88%AE-%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%8B%B5%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%89%93%E1%88%8E%E1%8B%96%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8A%BE%E1%8A%90-%E1%8B%93%E1%8B%AD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%B5%E1%8C%8D%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%8B%B0%E1%88%95%E1%8A%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8B%A8%E1%88%88%E1%8A%95-%E1%88%9D-%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8B%88%E1%88%8E-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%89%A8%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B2\/5133555.html"} {"headline":"ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ትግራይ ዝኾኑ ተማሃሮ ዝበጽሕ መጥቓዕቲ ንምኹናን ኣብ ከተማ መቐለ ዝተጸወዐ ሰልፊ ምብታኑ ተገሊጹ","content":"\"ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዝበፅሕ መጥቃዕቲ ንምኹናን\" ብዝብል ኣብ ከተማ መቐለ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ዝተፀወዐ ሰልፊ ብሓይልታት ፀጥታ ተበቲኑ:: ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣብዚ ጉዳይ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ እቲ ሰልፊ ብምምሕዳር እታ ከተማ ኣፍልጦ ዘይተውሃቦ እዩ ኢሉ:: No media source currently available ሰብ ሕድሪ ዝተባህለ ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐስ ሲቪል ሶሳይቲ ዘተሓባበሮ ቀዳም 8 ጥቅምቲ 2012 ኣብ ከተማ መቐለ ክካየድ ተመዲቡ ዝነብረ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዝበፅሕ መጥቃዕቲ ደው ክብልን መንግስቲ ድማ ተማሃሮ ውሕስንኡ ኣብ ዝተሓለወ ቦታ ንክመሃሩ ክገብር ንምጽዋዕን ንምትሕስሳብ ዝዓለመ’ዩ ኔሩ። ነቲ ሰልፊ ካብ ዘተሓባብሩ ሓደ ኣይተ መሓሪ ዮሃንስ ነቲ ሰልፊ ንምክያድ ምምሕዳር እታ ከተማ ንክተሓባበርን ንክፈልጦን ሰሉስ 4 ጥቅምቲ 2012 ብደብዳበ ኣፍሊጥና ኢና ኢሎም። ንሶም ወሲኾም እንተኾነ ግን ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ንጉሆ ኣብ መቐለ ኣደባባይ ሮማናት ሰለማዊ ሰልፊ ንምክያድ ተሳተፍቲ ኣብ ዝኸድሉ ሓይልታት ፀጥታ ክብተን ገይሮም ክብሉ ተዛሪቦም:: ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ከተማ መቐለ ኣይተ ዘመንፍስቅዱስ ፍሰሃ እቲ ዝተፀወዐ ስልፊ ምምሕዳሮም ከምዘይፈልጦ ሓቢሮም:: በተመሳሳሊ ኣብታ ከተማ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሕ ፆታዊ መጥቃዕቲ ንምኹናን ንትማሊ ሰንበት ተፀዊዑ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ሕጋዊ ማህተም ብዘለዎ ደብዳበ ሕቶ ኣይቀረበን ብዝብል ከምዝተኸልከለ ይዝከር:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B6-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8A%BE%E1%8A%91-%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%83%E1%88%AE-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%8C%BD%E1%88%95-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8A%B9%E1%8A%93%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%B8%E1%8B%88%E1%8B%90-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%89%B3%E1%8A%91-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5133143.html"} {"headline":"ኦዴፓ ከንቲባ አዲስ አበባ ካብ መዝነቶም ክለዓሉ ከምዘይወሰነ ኣፍሊጡ","content":"ምኽትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣቶ ታከለ ኡማ ካብ ስልጣኖም ንክልዓሉ ናይ ኦሮሞ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣይወሰነን ክብሉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ናይቲ ውድብ ኣቶ ኣዲሱ ኣረጋ ኣፍሊጦም። ምኽትል ከንቲባ ታከለ ኡማ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ካብ ስልጣኖም ከምዝልዓሉ ከምዝተነገሮም ግን በደብዳበ ዝተደገፈ ትእዛዝ ከምዘይቀረበ ነቶም ከንቲባ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።እቶም ምኽትል ከንቲባ እውን በቲ ዝቐረበ ሓሳብ ሕጉስ ከምዘይነበሩ ተፈሊጡ’ሎ። ቤት ፅሕፈት ናይቲ ከንቲባ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገፁ ‘’ኢንጂነር ታከለ ኡማ ኣብስራሖም ኣለው’’ ዝብል ሓበሬታ ትማሊ ሓሙስ ምውጽኡ ይፍለጥ። ናይ ኦሮሞ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኢንጂነር ታከለ ኡማ ካብ ስርሖም ይልዓሉ፣ኣብ ካልእ ስራሕ ይመደቡ ኢሉ ኣይወሰነን፣ለውጢ የለን ክብሉ ኣቶ ኣዲሱ ኣረጋ ወሲኾም ኣረዲኦም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A6%E1%8B%B4%E1%8D%93-%E1%8A%A8%E1%8A%95%E1%89%B2%E1%89%A3-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%88%88%E1%8B%93%E1%88%89-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%90-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5130059.html"} {"headline":"ቤት ምኽሪ ድሕነትን ፀጥታን ክልል ኣምሓራ ዘውፅኦ ክልከላታትን ውሳነታትን ብሰንኪ ጸገም ጸጥታ ገለ ከባቢታት ምዃኑ ተገሊጹ","content":"ናይ ክልል ኣምሓራ ቤት ምኽሪ ድሕነትን ፀጥታን ዘውፅኦ ክልከላታትን ውሳነታትን መበገሲኡ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ዝቐፀለ ፀገም ፀጥታ እዩ፤ወታደራዊ ኲናት ግን የለን ክብሉ ኣማኻሪ ሕጊ ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ኣቶ መርሃፅድቅ መኮነን ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8D%80%E1%8C%A5%E1%89%B3%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8B%98%E1%8B%8D%E1%8D%85%E1%8A%A6-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%88%8B%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8C%B8%E1%8C%88%E1%88%9D-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%8C%88%E1%88%88-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%91-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5130041.html"} {"headline":"ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ጉባኤኡ ጀሚሩ","content":"ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ጉባኤኡ ሎሚ ዓርቢ ጀሚሩ:: እቲ ጉባኤ ብምክትል ኣማሓዳሪ ዶ\/ር ደብረፅዮን ዝቐረበ ናይ 2012 ዓ\/ም ትልሚ ዘትይሉ’ሎ።ኣብዚ ዓመት ኣብ ክልል ትግራይ ሰላም ተሓልዩ ንክኸይድ ምምሕዳሮም ከምዝሰርሕ ብምግላፅ ሓይሊ ፀጥታ እቲ ክልል ንዝህልው ኹለመዳይ ተልእኾ ብቑዕ ክኸውን ይግባእ ኢሎም:: ምሉእ ት ሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%89%A5%E1%88%84%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8C%89%E1%89%A3%E1%8A%A4%E1%8A%A1-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9\/5130019.html"} {"headline":"\"ኢህወዴግ ይትረፍ ውህድ ፓርቲ ክምስርት ከም ግንባር እኳ ክቕፅል ዘይኽእል ዝተበተነ ውድብ እዩ ዝኒሀ\" ኢሉ ህወሓት","content":"ቤት-ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ድማ ነቲ መግለጺ ዘውጽአ ጉጅለ ሕወሓት፡ ብምኽንያት ለውጢ፡ ረብሕኡ ዝተቛረጾን፡ እቲ ዝነበረ ግፍዒ ንኽምለስ ዝምነ ዘሎን`ዩ` ክብል መሊሱ ፡- ነቲ መግለጺ ዘውጽአ ጉጅለ ሕወሓት፡ ብምኽንያት ለውጢ፡ ረብሕኡ ዝተቛረጾን፡ እቲ ዝነበረ ግፍዒ ንኽምለስ ዝምነ ዘሎን`ዩ` ኢሉ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ሓላፊ ፕረስ ቤት-ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር. ኢትዮጵያ ኣብ ኢህወደግ ዘለዉ ውድባት ናብ ሓደ ክውሃሃዱ ንምግባር ዝግበር ዘሎ ኣካይዳ፡ ንኢህወደግ ዝብትንን፡ ካብኡ ሓሊፉ`ውን ሃገር ዘፍርስ ኣካይዳ`ዩ ክብል ሕወሓት ተቓዊምዎ`ሎ። ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ን7 መዓልታት ዘካየዶ ኣኼባ ድሕሪ ምዝዛሙ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ዓዲ ንምምራሕ ሓላፍነት ዘይተዋህቦ ሓዲሽ ፓርቲ ክምስረት`ዩ ዝግበር ዘሎ ኢሉ። ነዚ ምላሽ ዝሃበ ቤት ፅሕፈት ኢህወደግ ብወገኑ፡ እቲ ውህደት፡ ሃገራዊ ሓድነት ዝፈጥር ሙኻኑ ዘካየድናዮ መፅናዕቲ ዘርኣዮ`ዩ ይብል:: እዚ መግለጺ`ዚ ካብ`ቲ ነቲ ለውጢ ዝቃወም፡ ንህዝቢ ዘይውክል ኣካል ዝወጸ`ዩ ዝበለ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ሓላፊ ፕረስ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን፡ “ነቲ መግለጺ ዘውጽአ ጉጅለ፡ ብምኽንያት ለውጢ፡ ረብሕኡ ዝተቛረጾን፡ እቲ ዝነበረ ግፍዒ ንኽምለስ ዝምነ ዘሎን`ዩ ኢሉ። ኣተሓሒዙ፡ ሕወሓት ብዛዕባ ውህደት ኢህወደግ ኣመልኪቱ ኣውጺእዎ ዘሎ መግለጺ፡ ካብ`ቲ ንዓመታት ዘንጸባርቖ ዝነበረ መርገጺኡ ዝተፈለየ`ዩ ኢሉ። ሙሉጌታ ኣፅብሃን እስክንድር ፍሬውን፡ ዝለኣኽዎ ጸብጻብት ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡- No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5126555.html"} {"headline":"ዘተ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ፆታዊ መጥቓዕቲ ስለምንታይ ይውስኽ ኣሎ?(2ይ ክፋል)","content":"ካብ ዕሸል ህፃውንቲ ክሳብ 80 ዓመት ዝዕድሚአን ደቂ ኣንስትዮ ይፍፀመን ዘሎ ፆታዊ ጥቕዓት እቲ ሕጊ ነዚ ይሕዘሉ ዘሎ ኣገባብን ዝውሃቦ ዘሎ ጠመትን ትሑት እዩ ይብላ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝፍፀም ፆታዊ ዓመፅ ብዝምልከት ዘዘራረብናየን ደቂ ኣንስትዮ። ኣብ ቀረባ ኣብ ክልል ትግራይ፣ዞባ ሰሜን ምዕራብ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ብሓደ ኣባል ፀጥታ ተፈፂሙ ዝተባህለ ፆታዊ ዓመፅ ስዒቡ ዝተኻየደ ሰልፍን ናይዚ ናይ ኣካላት ሕጊ ክፍተት እዩ፣እቲ ናይ ሕጊ ክፍተት ኣብ መላእ ትግራይ ናይ ዘሎ ክፍተት ሕጊ መርኣያ እዩ ኢለን እዘን ዘዘራርብናየን ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ። ነዚ ሪኢቶ ዝሃባ ሓላፊት ርክብ ህዝቢ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ወ\/ሮ ኤልሳ መሓሪ፣ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል መቐለ ሓኪምን ኣብ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ብውልቃ እትንቀሳቐስ ዶ\/ር ሄለን ቴድሮስን ኣብ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ፍትሕን ብውልቃ እንትንቀሳቐስ ፅዴና ኣባዲን እየን። ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/sexual-violence-on-women-and-girls-part-two\/5126407.html"} {"headline":"መግለጺ ክልል ሶማሌ ኣብ ጉዳይ ኣብ ክልል ዓፋር ዘጋጠመ ግጭት","content":"ሎሚ ቅነ ብመሓውራት ዜና ዝተገልጹ ኣብ ዝሓለፈ ቐዳም ኣብ ክልል ዓፈር ዘጋጠመ ግጭት 30 ተወላዶ ሶማሌ ተቀቲሎም ክብሉ በዓል ስልጣን ክልል ሶማሌ ገሊጾም። በቲ ጎንጺ 16 ተወላዶ ዓፋር ከምዝተቐትሉ ትማሊ ሰበ ስልጣን ዓፋር ምግላጾም ይዝከር። ኣብ ክልል ሶማሌ ኣመሓዳሪ ዞባ ሲቲ ኣቶ ዑመር ዓብዲ ንመሓውራት ዜና ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ታሕሳስ ተወላዶ ሶማሌ ብብዝሒ ኣብ ዝነብሩለን ሰለስተ ኣብ ክልል ዓፋር ዝርከባ ቀበሌታት መሰል ሕቶ ነበርቲ ብሓይሊ ንምዕፋን ስጉምቲ ምውዳስ ካብ ዝጅመር ንነጀው 270 ተወላዶ ሶማል ተቀቲሎም ካልኦት’ውን ጉድኣት ጉድ ኣት ዝበጽሖም ከምዘለው’ውን ኣፍሊጦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8C-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5\/5125135.html"} {"headline":"ዘተ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ፆታዊ መጥቓዕቲ ስለምንታይ ይውስኽ ኣሎ?(1ይ ክፋል)","content":"ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝፍፀም ፆታዊ ዓመፅ እናተጋደደ ይኸይድ ብምህላው ዓብዪ መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ ይርከብ። ኣብ ቀረባ ኣብ ክልል ትግራይ፣ዞባ ሰሜን ምዕራብ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ብሰንኪ ተፈፂሙ ዝተባህለ ፆታዊ ዓመፅ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ ነይሩ። እቲ መጥቓዕቲ ብዝምልከት ብውልቂ ንዝንቀሳቐሳን ነቲ ጉዳይ ብዝምልከት ኣብ ማሕበራዊ ደቂ ኣንስትዮን ንመጥቓዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝቃወሙን ብዝተፈላለየ ኣገባብ ብፍላይ ድማ ብማሕበራሚ መራኸቢ ኣብ ምንቅስቓስ ይርከባን ይርከቡን። ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ እውን እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ኣዚዩ ዘሰክፍ ብርኪ ምብፅሑ ብምግላፅ ድምፀን ንዘስምዓ ደቂ ኣንስትዮ ከም ከምዝድግፍ ገሊጹ'ሎ። ብዛዕባ እዚ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝፍፀም ፆታዊ ዓመፅ ብዝምልከት ንሓላፊት ርክብ ህዝቢ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ወ\/ሮ ኤልሳ መሓሪ፣ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል መቐለ ሓኪምን ኣብ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ብውልቃ እትንቀሳቐስ ዶ\/ር ሄለን ቴድሮስን ኣብ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ፍትሕን ብውልቃ እንትንቀሳቐስ ፅዴና ኣባዲን ኣዘራሪብናየን ኣለና። ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/sexual-violence-on-women-and-girls-part-one\/5125051.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ 16 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ከባቢ ኣሳይታ ዱብቲ ቅድሚ ትማሊ ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ህፃናት ዝርከቡዎም ልዕሊ 16 ሰባት ከምዝተቐትሉን ካልኦት 34 ሰባት ከምዝቖሰሉን ናይቲ ወረዳ ኣመሓዳሪ ገሊፆም።ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሊያ ሓዊሱ ናይ ወፃኢ ሃገር መለለዪ መንነትን መኪናን ሒዞም ዝተባህሉ ዕጡቓትነቲ መጥቓዕቲ ከምዝፈፀምዎ ኣማሓዳሪ ወረዳ ኣፋምቦ ገሊፆም። እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ከባቢ ኣፋምቦ ገረኒ ፍሉይ ሽሙ ኦብሎ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ከምዝተፈፀመ ኣማሓዳሪ ወረዳ ኣፋምቦ ኣቶ ሑሴን ዓሊ ገሊፆም። “ለይቲ ሰዓት 10 ፍሉይ ሓይሊ ሶማሌን ናይ ጂቡቲ ኢሳን ብሓባር ተዋዲዶም ከቢድ ኣፅዋር፣መትረየስ፣ቦምብን ላውንቸርን ብምጥቃም ሓያል መጥቓዕቲ ፈፂሞም። ብዙሓት ህፃናት ፣ኣረጋዊያን፣ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን ተቐቲሎምን ቆሲሎም ኣለው።” በቲ መጥቓዕቲ ዝተጎድኡ 34 ሰባት ናብ ሆስፒታላት ኣሳይታ፣ዱብቲን መቐለን ከምዝተልኣኹ እውን ሓቢሮም። “ዝሞቱ 17 ሰባት እዮም።4 ደቂ ኣንስትዮ፣ሓደ ወዲ ሽዱሽተ ወርሒ ህፃን፣12ን 14ን ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናትን መናእሰይን ዓበይትን ይርከቡዎም።” ብዝሒ ዝሞቱ 21 እዮ ዝብሉ ወገናት እውን ኣለው።ምኽትል ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ዓፋር ኣሕመድ ኡመድ በቲ መጥቓዕቲ 16 ሰባት ምሟቶም ንመራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ገሊፆም ኣለው። ንሶም ወሲኾም ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ብዝወሰዱዎ ናይ ምክልኻል መጥቓዕቲ ነቲ መጥቓዕቲ ካብ ዝፈፀሙ ንልዕሊ 10 ሰባት ከምዝቐተሉ እውን ተዛሪቦም። “ካብቶም ዝሞቱ ዝተኸደኑዎ ወታሃደራዊ ክዳን ተረኺቡ’ሎ።ክዳንን መለለዩ መንነትን ፍሉይ ሓይሊ ሶማሌ ተረኺቡ’ሎ።ናይ ጅቡቲ ሪፓብሊክ ኣርሚ ዝብል መለለይ መንነት እውን ተረኺቡ’ሎ።እቲ መረዳእታ መረዳእታ ኣሎ ይብሉ።” መጥቓዕቲ ፈፂሞም ክምለሱ ከለው ብዓፋር ዝተታሓዛ መካይን ከምዘለዋን ናይ ሶማሊ ላንድ ታርጋ ዘለዋ መኪና ከምዝተትሓዘትን ካብ መንጎ ዝተቐትሉ ወታሃደራት ጅቡቲ እውን ከምዝርከቡዎምን ብዓይነይ ርእየ ዝበሉ ነባሪ’ውን ምስክርነቶም ሂቦም ኣለው። እቲ ከባቢ ኣብ ዓብይ ስግኣት ከምዝርከብን እውን እዞም ወሃብቲ ርእይቶ ገሊፆም። ንሓላፊ ቤት ፅሕፈት ምኽትል ኤታምጆር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮሎኔል ተስፋየ ኣያሌው ብምጥቓስ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝፀብፀቦ ሰራዊት ጅቡቲ ንዶብ ኢትዮጵያ ብምጥሓስ ኣብ ዓፋር ጉድኣት ኣውሪዱ ዝብል ካብ ሓቂ ዝርሓቐ እዩ ኢሎም። ጅቡቲ ንኢትዮጵያ ናይ ምውራር ድልየት ከምዘይብላን ናይ ክልቲአን ሃገራት ምሕዝነት ሓይሉ ከምዝቕፅል ተዛሪቦም ኣለው። ኣብቲ ከባቢ ብሰንኪ መግሃጫ፣ማይን ካልኦትን ሓሓሊፉ ግጭት ከምዝፍጠር ዝሓበሩ እዞም ወሃቢ ርእይቶ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝወረደ ጉድኣት ኣብ ምጽራይ ከምዘሎ’ውን ሓቢሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-16-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/5123553.html"} {"headline":"ኮሚሽን ዕርቅን ሰላምን ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ምስ ምምሕዳር’ቲ ክልል ልዝብ ምክያዶም ገሊጾም","content":"ኮሚሽን ዕርቅን ሰላምን ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘካይዶ ዘሎ መስርሕ ሰላምን ዕርቂን ብዝምልከት ምስ ምክትል ምምሕዳር’ቲ ክልል ልዝብ ምክያዶም ገሊጾም። እቲ ኮሚሽን ኣብ መንጎ’ቲ ህዝቢ ከይተፈልጠ ዝሰፈነ ሕነ ምፍዳይን ቅርሕንቲን ጽልእን ብመጽናዕትን ባህልን’ቲ ከባቢ መሰረት ዝገበረ መፍትሒ ንምንዳይ ይስራሕ’ሎ ኢሉ’ሎ። አካቢ’ቲ ኮሚሽን ዕርቀ ሰላምን ሊቀ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስ አባሱራፌል ኣብ መንጎ ህዝብታት ኢትዮጵያ ዝጸንሓ ቂምን ጽልኢን ብናይ ሓቂ ፍትሒ መሰረት ዝገበረ ዕርቂ ክወርድ ይግባእ፡ ኮሚሽኑ ድማ ነዚ ንምትግባር ቅድሚ ሸሞንተ ወርሒ ስራሑ ጀሚሩ ኢሎም። ንሶምእቲ ምስ ምምሕዳር ክልላት ዝካየድ ልዝብ ድማ ናይዚ አካል’ዩ ክብሉ ወሲኾም አረዲ ኦም። ኣመሓዳሪ’ቲ ክልል ኣቶ ርስቱ ይርዳው ብወገኖም ሰላም’ቲ ክልል ምርግጋጽ ብቐዳምነት ዝስራሓሉ ምዃኑን ብምግላጽ ‘ቲ ተጀሚሩ ዘሎ ስራሕ ብቅልጡፍ ክዛዘም ድማ ናይቲ ክልል መንግስቲ እኹል ድጋፍ ከምዝገብር ሓቢሮም። እቲ ኮሚሽን ብተወሳኺ ምስ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ከምዝተዘራረበ ተፈሊጡ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%8B%95%E1%88%AD%E1%89%85%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%8D%E1%8B%9D%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8B%AB%E1%8B%B6%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/5123523.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ኮንታ ወረዳ ብዘጋጠመ ምድርማስ መሬት 23 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ፍሉይ ወረዳ ኮንታ ብዘጋጠመ ምድርማስ መሬት 23 ሰባት ከምዝሞቱ ኣመሓዳሪ’ቲ ወረዳ ሓቢሮም። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ባህልን ቱሪዝምን’ቲ ክልል ኣቶ ተከለ ተስፉ እቲ ሓደጋ ትማሊ ለይቲ ዘጋጠመ ምዃኑን በቲ ሓደጋ ኸአ ናይ ሓሙሽተ ስድራ አባላት 23 ሰባት ከምዝሞቱን ካብዚኣቶም 13 ደቂ ኣንስቶ ምዃኖም ገሊጾም። ንሶም ወሲኾም እቲ ሓደጋ ምድርማስ መሬት ዘጋጠመ’ቶም ሰባት ደቂሶም ከለው ምዃኑን ዛጊት ናይ 13 ሰባት ሬሳ ተኳዒቱ ከምዝወጸን ዝተረፈ ንምውጻእ ጻዕሪ ይግበር ከምዘሎ ገሊጾም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AE%E1%8A%95%E1%89%B3-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B3-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%AD%E1%88%9B%E1%88%B5-%E1%88%98%E1%88%AC%E1%89%B5-23-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/5123517.html"} {"headline":"ርእይቶ ነበርቲ ከተማ መቐለ ኣብ ሽልማት ኖብል ሰላም ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ","content":" No media source currently available","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%BD%E1%88%8D%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%8A%96%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5\/5120709.html"} {"headline":"ናይ ኣዲስ ኣበባ ቤት ምኽሪ በዓል ሕድሪ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ኣካል ድሕሪ ፅባሕ ሰንበት ላማዊ ሰልፊ ምፅውዑ ኣፍሊጡ","content":"ናይ ኣዲስ ኣበባ ቤት ምኽሪ በዓል ሕድሪ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ኣካል ድሕሪ ፅባሕ ሰንበት 2 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰላማዊ ሰልፊ ምፅውዑ ሎሚ ዓርቢ ኣብዝሃቦ ጋዜጣዊ መገልፂ ኣፍሊጡ። ናይቲ ቤት ምኽሪ መግለፂ ብዙሕ ዋጋ ዝተኸፍሎ ናይ ዲሞክራስን ፍትሕን ሕቶታት ኣብ ውሽጢ ገዛኢ ፓርትን ካብ ገዛኢ ፓርቲ ወፃኢ ብዘለውን ፅንፈኛታት ምጥላፉ ንምቅዋምን ገዛኢ ፓርቲ ኣካይድኡ ብቕልጡፍ ከሰተኻኽልን ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ምፅውዑ ይሕብር። ብ ኣተሓሳስብኦምን ፖለቲካዊ እምነቶምን ዝተኣስሩ ከምዘለው ብምሕባር እዞም እሱራት እዚኦም ብቕልጡፍ ክፍትሑን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣዲስ ኣበባ ፍሉይ ረብሓ ኣለና ዝብሉ ጉጅለታትን ውልቀሰባትን ንምቅዋምን ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ማዕረ መሰል ከምዘለዎም ንምትሕስሳብን ካብ ዕላማታት ናይቲ ሰልፊ ገሊኦም ምዃኖም ይሕብር። እቲ ቤት ምኽሪ መግልፂ ይህብ ኣብዘነበረሉ እዋን ካብ ቀፅሪ እቲ ቤት ፅሕፈት ወፅእ ኢሉ ኦሮምኛ ዝዛረቡ መናእሰይ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ እናስምዑ ንምርባሽ ፈተነ ክገብሩ ይርኣዩ ከምዝንበሩን ፖሊስ እውን ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሩ ከምዝነበረን ተፈሊጡ’ሎ። መራሒ ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣቶ እስክንድር ነጋ እቶም ዝቃወሙ ዘለው ሓሳቦም ናይ ምግላፅ መሰል ኣለዎም፣ከምኡ ምግባሮም ቅሬታ የብልናን ብስርዓት ክኸውን ጥራሕ ኢና ንደልዮ ክብል መሊሱ’ሎ።መራኸቢ ብዙሃንን ማሕበራዊ ሚዲያን ግጭት ካብ ዘለዓዕሉ ፀብፃባት ካብ ምሕላፍ ክዕቀቡ ነቲ ሰልፊ ዝፅውዑ ወገናት ምሕፅንታ ኣቕሪቦም ኣለው ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%88%95%E1%8B%B5%E1%88%AA-%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%82%E1%88%89-%E1%8B%9D%E1%8D%85%E1%8B%8B%E1%8B%95-%E1%8A%A3%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%8D%85%E1%89%A3%E1%88%95-%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%89%B5-%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8A-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%88%9D%E1%8D%85%E1%8B%8D%E1%8B%91-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5120628.html"} {"headline":"መግለጺ ቤት ጽሕፈት ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንሽልማት ሰላም ኖብል 2019","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝተዓወትዎ ሽልማት ሰላም ኖቤል ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝብርከት ናይ ዕድል ሽልማት እዩ ክብል ቤት ፅሕፈቶም ኣፍሊጡ። ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ሓላፊ ፕረስ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ እቲ ሽልማት ንዝበለፀ ስራሕ ዘለዓዕል እዩ ኢሎም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8C%BD%E1%88%95%E1%8D%88%E1%89%B5-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%95%E1%88%BD%E1%88%8D%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%96%E1%89%A5%E1%88%8D-2019\/5120570.html"} {"headline":"መግለጺ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ሽልማት ኖበል ሰላም ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ","content":"ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ክቡር ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ሰላምን ዓለምለኸ ምትሕብባር ንምጉንጻፍንዝካየድዎ ጻዕርታትን ምስ ጎረቤት ኤርትራ ዝነበረ ግጭት ንምፍታሕ ዝወሰድዎ ወሳኒ ስጉምታትን መበል 100 ተሸላሚ ኖበል ሰላም ብምዃኖም እንዃዕ ሓጎሰኹም ይብል:ነዚ ዘኹርዕ ፍጻመ ድማ ምስ ኩሎም ኢትዮጵያዊን ኮይና ክንጽንብል ኢና ኢሉ። እዚ ሽልማት ድማ ኣብ መሪሕነት ቀ\/ሚ ኣብይ ዘመዝገቡ ምዕባለታት ዘርእይ እዩ ዝበለ መግለጺ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘይካ'ቲ ምስ ኤርትራ ዝተኻየደ መስርሕ ስላም: ፖለቲካዊ ባይታት ኣብ ምፍጣር: ነጻነት ፕረስኣ ብ ምሕያል: ምፍታሕ እሱራት ፖለቲካ ከምኡ'ውን ቁጠባ ኢትዮጵያ ንምምሕያሽ ዝስርሑ ስርሓት መርኣያ ዝካየዱ ጻዕርታት'ዮም ኢሉ። ኣሜሪካ ድማ መንግስቲን ህዝብን ኢትዮጵያ ዲሞክራሲያዊት ብልጽግቲ ሃገሩ ኣብ ምህናጽ ደገፉ ከምዘበርኽት ንገልጽ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%A4%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%BD%E1%88%8D%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%8A%96%E1%89%A0%E1%88%8D-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5\/5119891.html"} {"headline":"ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ተሸላሚ ስልማት ኖቤል ሰላም 2019 ኮይኖም","content":"ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ኤርትራ ሰላም ኣብ ምፍጣር ብዘካየድዎ ጻዕርታት ተሸላሚ ስልማት ኖበል ሰላም 2019 ኮይኖም። ኣደ መንበር ኮሚተ ኖበል ስልማት ሰላም በሪት ሪስ ኣንደርሰን: ቀ\/ሚ ኣብይ ነዚ ስልማት ዝበቕዑ ናብ መዝነት ድሕሪ ምምጽኦም ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ምስ ኤርትራ ዝጸንሓ ግጭት ንምፍታሕ ጻዕርታት ብምክያዶም እዩ ኢለን። ኖርወጃዊ ኮሚተ ኖቤል ሽልማት ሰላም ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ቀዳሞት 100 መዓልታት መዝነቶም \"ኣብታ ሃገር ዝነበረ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ኣብ ምልዓል፥ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ናይ ፖለቲካ እሱራት ኣብ ምፍታሕ: ኣብ መሓውራት ዜና ዝነበረ መመያ ኣብ ምምሕያሽ: ተቓወምቲ ውድባት ናብ ሃገር ክኣትው ኣብ ምፍቓድ፥ ብብልሽውና ዝተኸሱ ሰበ ስልጣን ኣብ ምእላይ: ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መዝነት ኣብ ምዕዛዝ\" ሰሪሖም'ዮም ይብል። እቲ ኮሚተ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝጀመረ ዲሞክራሲ ኣብ ምሕያል ብዙሕ ስራሕ ከምዝተርፍ ብምግላጽ ምስ ኤርትራ ዝተጀመረ ሰላም ድማ ኣብ ክልቲኣን ሃገራት ብዙሕ ኣወንታዊ ውጽኢት ከምዝህልዎ ሓቢሩ'ሎ። ሽልማት ኖቤል ሰላም ቀ\/ሚ ኣብይ ኣብ ካልኦት ሃገራት ምብራቕን ሰሜን ምብራቕ ኣፍሪቃንንዘካየዶ ናይ ሰላምን ዕርቂን ተሳትፎ'ውን ኣፍልጦ ሂቡ'ሎ። እቲ 900ሽሕ ዶላር ሽልማት ኖቤል ታሕሳስ 10 ኣብ ከተማ ኦስሎ ኖርወይ ክወሃብ'ዩ። ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ ንናይቲ ኮምቴ ምርጫ ንኢዶምዎ። ንሶም ሎሚ ዓርቢ ኣብዘውፅእዎ መግለፂ “ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝነበረ ብዝሓሸ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ናይ ተስፋ ንፋስ ይነፍስ ኣሎ ክብል ፀኒሐ ኣለኹ፤ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ከምዚ ክሓስብ ካብዝገበሩኒ ምኽንያታት ሓደ እዮም’’ኢሎም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%89%B0%E1%88%BD%E1%88%8B%E1%88%9A-%E1%88%BD%E1%88%8D%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%8A%96%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-2019-%E1%8A%AE%E1%8B%AD%E1%8A%96%E1%88%9D\/5119879.html"} {"headline":"ኣብ ቤተ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተሃነፀ “ፓርክ ሓድነት’’ ተመሪቑ","content":"ኣብ ውሽጢ ዓብዪ ቤተ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተሃነፀ “ፓርክ ሓድነት’’ መራሕቲ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተረኸብሉ ሎሚ ሓሙስ ተመሪቑ፡ንህዝቢ ክፉት ክኸውን እውን ትፅቢት ይግብር። ካብ ዳግማዊ ሓፀይ ምኒሊክ ክሳብ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ዘለው መራሕቲ ንልዕሊ 130 ዓመታት ንኢትዮጵያ ዘመሓደርሉ ካብዚ ዓብይ ቤተ መንግስቲ እዩ። ካብ ሓፀይ ምኒሊክ ክሳብ ልጅ እያሱ፣ካብ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ክሳብ መንግስቱ ሃይለማሪያም፣መለስ ዜናዊ፣ ሃይለማሪያም ደሳለኝን ኣብይ ኣሕመድን ማእኸል ፖለቲካ እታ ሃገር እዩ። ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ሓላፊት ክፍሊ ፕሬስ ዓውዲ ናይ ወፃኢ ቋንቋን ዲጂታልን ብለኔ ስዩም ክትቐርቦ ዘይፍቀድን ካብ ርሑቕ ዝፍራሕን ናይዚ ቐፅሪ ኣተሓሕዛ ግን ክንዲ ሽሙ ኣይነበረን ይብላ ። ንሰን ወሲኸን ምዝዛም ህንፀት ፓርክ ሓድነት ናይቲ ቤተ መንግስቲ ክፉት ምዃኑ ሰፊሕ ፖለቲካዊ ትርጉም ኣለዎ ይብላ።። “ኢትዮጵያዊያን ቅድሚ ሎሚ በዚ ክሓልፉ ኣዚዮም ዝፈርሑዎ፣ንህዝቢ ዕፁው ዝነበረ፣እቲ ቦታ መእከቢ ዝኣረጉ ኣቑሑት ዝነበረ፣ዘይስሕብ፣ኣብዚ ዘሎ ብዙሕ ታሪኽና ምልስ ኢልና ዘይንርእየሉ ዝነበረ ምስ ምዃኑ ክኽፈት ከሎ ብዙሕ ትርጉም ኣለዎ።ታሪኽና ክንፈልጥ ዝገብር እዩ።” እቲ ስራሕ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ከምዝተዛዘመ እውን ቢልለኔ ስዩም ሓቢረን።ፓርክ ሓድነት ተፈጥሮኣዊ፣ባህላዊ፣ፖለቲካውን ታሪኻውን ክብርታት ዝሓቖፈ እዩ። ኣብ ውሽጢ 130 ዓመታት ሸውዓተ መራሕቲ ዘተኣናገደ ቤተ መንግስቲ ኣብዚ እዋን ዝነበሩ ኣወንታውን ኣሉታውን ታሪኻት እውን ይዝንትው። ናይ ኢትዮጵያ ሓዊሱ መራሕቲ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተሳተፍሉ ስነስርዓት ምረቓ ‘ኣስናቀች’ ብዝብል ስም ዝፅዋዕ ናይ ሓፀይ ምንሊክ ናይ ግብሪ ኣዳራሽ እዩ ተኻይዱ። ኣብቲ ስነ ስዓት መራሕቲ ኬንያ፣ኡጋንዳ፣ሶማልን ሱዳንን ካልኦት ኣጋይሽን ተረኺቦም ኔሮም። ፓርክ ሓድነት ካብ ዝቕጽል ሰሙን ንህዝቢ ክፉት ከምዝኸውን ተፈሊጡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%A4%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%83%E1%8A%90%E1%8D%80-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%8A%AD-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%AA%E1%89%91\/5119008.html"} {"headline":"ርእይቶ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ኣብ መግለጺ ቀ\/ሚ ነታንያሁ","content":"ዘ ታይምስ ኦፍ እስራኤል ዝተባህለ ጋዜጣ ኣብ ናይ ጥቅምቲ 2,2019 ሕታሙ ቀ\/ሚ እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ናብ ሃገሮም ኣብ ምምላስ ንምትሕብባር ምስ ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ምዝርራቦም ዝገልጽ ጸብጻብ ኣውጺኡ ኔሩ። እቲ ጋዜጣ ኣብቲ ጸብጻብ ቀ\/ሚ ነታንያሁ ነዚ ጉዳይ ንሓንቲ አባል ፓርላም ፓርቲ ሉኩድ ክዛረቡ ዘርእይ ቪድዮ’ውን ሓቢሩ ኣውጺኡ’ሎ። No media source currently available ድምጺ ኣሜሪካ ነዚ ጉዳይ ንምጽራይ ኣብ ዘካየዶ ጻዕርታት ምንጭታት ካብ ቤት ጽሕፈት ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ዝተኻየደ ርኽብ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ እስራኤል እዚ ጉዳይ ከምዘይተላዕለ ሓቢሮም ኣለው። ነዚ ብዝምልከትን ንኩነታት እቶም ስደተኛታት ኣብ እስራኤልን ንምጽራይ ንዝሓለፈ ኣስታት 8 ዓመታት ኣብ እስራኤል ዝነበረን ኣብ ማእከል ምዕባለ ስደተኛታት ኣፍሪቃ(ARDC) ከም አተሓባባሪ ኾይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ተክሊት ተከስተ ኣዘራሪበዮ ኣለኹ። ብተመሳሳሊ ንዝሓለፈ 9 ዓመታት ኣብ እስራኤል ዝነበረ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ተክሊት ሚካኤል ብወገኑ ርእይትኡ ሂቡ’ሎ። ብመሰረት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝወጸ ጸብጻብ ኣስታት 24,000 ኤርትራዊያን ከሙ’ውን ኣስታት 8.,000 ሱዳናዊያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣብ እስራኤል ይነብሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A5%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%8A%A4%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%88%81\/5118541.html"} {"headline":"ንተጋሩ ናይ ፖለቲካ እሱራት ተባሂሉ ዝተጣየሸ ምንቅስቓስ ንማሕበረሰብ ዓለም ዝቐርብ ፊርማ የተኣኻኽብ ከምዘሎ ኣፍሊጡ","content":"'ዓለምለኸ ምንቅስቓስ ንተጋሩ ናይ ፖለቲካ እሱራት' ተባሂሉ ዝተጣየሸ ምንቅስቓስ ንማሕበረሰብ ዓለም ዝቐርብ ፊርማ የተኣኻኽብ ከምዘሎ ኣፍሊጡ:: እቲ ምንቅስቓስ ልዕሊ 20 ሽሕ ፊርማ ብምትእኽኻብ 'ብምኽንያት ብሄሮም ዝተኣሰሩ ተጋሩ ናይ ፖለቲካ እሱራት\" ጉዳዮም ንኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝቐረብ ተሓቢሩ:: ፌደራል ዓቃቢ ሕጊ ኣብዚ ጉዳይ ተሓቲቱ ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ፖለቲካን ብሄርን ዝተኸሰሰ የለን ክብል መልሲ ሂቡ’ሎ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%8C%8B%E1%88%A9-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB-%E1%8A%A5%E1%88%B1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%82%E1%88%89-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%A3%E1%8B%A8%E1%88%B8-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%B5%E1%89%93%E1%88%B5-%E1%8A%95%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%88%AD%E1%89%A5-%E1%8D%8A%E1%88%AD%E1%88%9B-%E1%8B%A8%E1%89%B0%E1%8A%A3%E1%8A%BB%E1%8A%BD%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5117360.html"} {"headline":"ክልል ትግራይ፡ ህዝቢ ዓዲ ዳዕሮ ድምፅና ይሰማዕ ክብል ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዱ","content":"ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ዋና ከተማ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ክልል ትግራይ ፍትሒ ሲኢና ብምባል ድምጽና ይሰማዕ ዝብሉ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።ኣብ ገምጋማዊ ፅሬት ዝቀነየ ነባሪ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ቤት ፍርዲ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ መጥቓዕቲ ንዘብፀሐ አባል ፖሊስ ብዋሕሰ ብምልቃቑ ተቃውሞኦም ንምግላፅ ሰላማዊ ሰልፊ ምክያዶም ሓቢሮም ኣለው። ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ንኣተሓባባሪ እቲ ሰልፊ ሌተናል ኮረኔል መኮነን ኣማረን ንምክትል ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ኣዘራሪብና ኣለና። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8B%93%E1%8B%B2-%E1%8B%B3%E1%8B%95%E1%88%AE-%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8D%85%E1%8A%93-%E1%8B%AD%E1%88%B0%E1%88%9B%E1%8B%95-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8A-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8A%A3%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/5117229.html"} {"headline":"ግብጺ፡ ንዓለምለኸ መንጎኝነት ኣብ ልዝብ ግድብ ህዳሴ ትጽውዕ፡ ኢትዮጵያ ብወገና ንመርገጺ ግብጺ ትነጽግ","content":"ግብፂ ኣብ ጉዳይ ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዝካየድ ዘሎ ሱሉሳዊ ልዝብ ዘድልይ ምዕባለ ብዘይምርካቡ ዓለምለኸ ሸምግልና(መንጎኝነት) ክሕወሶ ፀዊዓ።ኢትዮጵያ ብወገና ግብፂ ዝሓዘቶ መርገፂ ንናይ ኢትዮጵያ ቀይሕ መስመር ዝጥሕስ እዩ ክትብል ነፂጋቶ’ላ። ኣብ ኣብ ማእከል ስትራትጀያዊ መፅናዕቲ ኣፍሪቃ ዳይረክተር ክፍሊ ምርምር ዝኾኑ ጆሴፍ ሲየገል ግብፂ እቲ ልዝብ ፖለቲካዊ መልክዕ ትሕዞ ኣላ ይብሉ። “ግብፂ ነቲ ልዝብ ናብ ፖለቲካዊን ዓለምለኻዊን መድረኽ ከተማዕብሎ ትፍትን ዘላ ትመስል።ኣብቲ ልዝብ ይሳተፋ ዘለዋ ግብፂ፣ሱዳንን ኢትዮጵያን እቲ ግድብ ምምልኡ ክቕፅል ከምዘለዎን ኣብ ቴክኒካዊ ነገራትን ዝምልከት ድማ ንዓመታት ሃናፂ ዝርርብ ከካይዳ ፀኒሐን እየን።... ግብፂ ሎሚ እቲ ጉዳይ ፖለቲካዊ ማእዝን ክሕዝ ትደሊ’ላ።” ኣሜሪካ ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ዝቐፀለ ልዝብን ምትሕብባርን ከም እትድግፍ ኣብ ቀረባ ገሊፃ እያ።እቲ ወጥሪ ንምህዳእ ኣሜሪካ ክህልዋ ብዛዕባ ዝኽእል ተራ ዝተሓተቱ ሲየገል ከምዚ ይብሉ። “ኣሜሪካን ካልኦት ዓለምለኸ ተዋሳእትን ናብ ፖለቲካዊ መዳይ ናይዚ ልዝብ ክኣትው የብሎምን።ግብፂ ዓለምለኸ ተዋሳእቲ ናብቲ ልዝብ ብምስሓብ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፀቕጢ ብምግባር ዝሓሸ ውፅኢት ክትረክብ እያ ትደሊ።ስለዚ ንኣሜሪካ ሓዊሱ ናይ ደገ ተዋሳእቲ ትኹረቶም ኣብቲ ልዝብ ዝካየደሉ ዘሎ ቴክኒካዊ ጉዳያት ክገብሩ ኣለዎም።” ኣብ ፓርላማ ግብፂ ኮሚቴ ጉዳያት ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዲፕሎማሲያውን ፖለቲካዊን ፀቕጢ ንምሕያል ኩሉ መሳርሒታት ክጥቀም እየ ኢሉ’ሎ።ንናይ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣብ ካይሮ ናብ ፓርላማ ብምፅዋዕን ብምንጋርን እቲ ፅቕጢ ከምዝጀምር ተፈሊጡ’ሎ።እዚ ፀቕጢ ናብ ወታሃደራዊ ረፅሚ’ዶ የምርሕ? ንዝብል ሲየገል ከምዚ ክብሉ ይምልሱ። “ሓቒ እዩ።ካብ ግብፂ ቕልጡፍ ምዕባለታትን መደረታትን ንርኢ ኣለና።ብወገን ግብፃዊያን እቲ ናይ ልዝብ ኣካይዳ ንምቕያርን ናይ ምውፃእን ስትራተጂያዊ ምልክታት ተርኢ ኣላ።ወታደራዊ ግጭት ኣይህሉን ኢልካ ምድምዳም ዝክኣል ኣይመስለንን።ግጭት ዝህልው ግን ኣይመስለንን።ፕረዚደንት ኤል-ሲሲ ቅድም ክብል ብወታሃደራዊ ስጉምቲ ዝፍታሕ ኣይኮነን ምባሎም’ውን ይዝከር።” ንሶም ብምውሳኽ ግብፂ ንገለ ኣብ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሓይልታት ብምሕጋዝ ነታ ሃገር ናይ ዘይምርግጋእ ስራሓት ክትሰርሕ ትኽእል እያ ይብሉ።ኢትዮጵያ ብወገና ሕነ ክትፈድን ካልኦት ፀገማትን ክሰዕብ ዝኽእል እዪ ይብሉ ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ግብፂ ኣብ ኣመላልኣ ማይ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዝሓዘቶ መርገፂ ንናይ ኢትዮጵያ ቀይሕ መስመር ዝጥሕስ እዩ ክብል ሚንስትር ኢንርጂ ኢትዮጵያ ገሊፁ። ቤት ፅሕፈት ኣተሓባባሪ ተሳትፎ ህዝቢ ግድብ ህዳሴ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ኣብዘካየዶ ናይ ምኽክር መድረኽ ኣብ ሚንስትሪ መስኖ ማይን ኢነርጅን ኣማኻሪ ጉዳይ ተሳገርቲ ዶብ ፈለጋት ኣቶ ተፈራ በየነ ግብፂ ኣብ ዓመት 40 ቢሊዮን ሜትሪክ ክዩብ ማይ ክስደደላን ግድብ ኣስዋን ካብ ፀፍሒ ባሕሪ ናብ 165 ሜትሮ ክወርድ ከሎ ኢትዮጵያ ማይ ክትሰድድ ኣለዋ ዝብል ከምኡ እውን ኣብቲ ልዝብ ሳልሳይ ወገን ክኣትው ኣለዎ ምባላን ብወገን ኢትዮጵያ ናይ ህልውናንን ልኡላነትን ጉዳይ ብምዃኑ ውዱቕ ኮይኑ’ሎ ኢሎም። ግብፂ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ እውን ዘየረዳድኡ ኣጀንዳታት ብምቕራባ ምርድዳእ ከምዘይተኽኣለ ገሊፆም። ግብፂ ኣብ ኣመላልኣ ማይ ዓብዪግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ተቕርቦም ዘላ ሓሳባት ምቕባል ማለት ንናይ ሎሚ ወለዶ ጥራሕ ዘይኮነስ ንናይ ኢትዮጵያ ቐፃሊ ወለዶ ዝጎድእ ስለዝኾነ ተቐባልነት የብሉን ኢሎም። ህንፀት ናይቲ ግድብ 68.56 ሚእታዊት ከምዝተዛዘመ ይፈልጥ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%8C%BA-%E1%8A%95%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8E%E1%8A%9D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%9D%E1%8C%8D-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%89%B5%E1%8C%BD%E1%8B%8D%E1%8B%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8B%88%E1%8C%88%E1%8A%93-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%8C%88%E1%8C%BA-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%8C%BA-%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%88%95-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%8C%A5%E1%88%95%E1%88%B5-%E1%8B%A9-%E1%89%B5%E1%89%A5%E1%88%8D\/5115618.html"} {"headline":"ኣምባ. ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ጠሚቱ ምስ ምሁራት መቐለ ዩኒቨርሲቲ ምዝታዮም ተገሊጹ","content":"ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ራይነር ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ዑደት ኣካይዶም ነይሮም:: እቶም ኣምባሳደር ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምስ ምሁራን ኣብ ጉዳይ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራ ዘተ ኣካይዶም:: ኣብቲ ዘተ ዝተልዓሉ ጉዳያት ኣመልኪቱ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዳይሬክተር ዓለምለኽ ጉዳያት ኣይተ ጎይትኦም ተገኝ ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝገለፅዎ 'እቶም ኣምባሳደር \"ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተጀመረ መስርሕ ሰላም ንምንታይ በቲ ዝድለ መንገዲ ዘይከደ? ተኸፊቶም ዝነበሩ መስመራት ዶብ’ከ ንምንታይ ከምዝተዓጸዉ?\" ካብ ምሁራት ሪኢቶ ንምርካብ ሓቲቶም'። ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ኣካላት ድማ መብርሂ ሂቦምሉ ክብሉ ተዛሪቦም:: ኣይተ ጎይትኦም ተገኝ 'እቶም ሙሁራት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተጀመረ ርክብ ኣብ ምትግባር ፀገም ከምዘሎን፣ ኣብ ዶብ ንዝርከብ ህዝቢ ብዘካተተ መንገዲ ስለዘይተኸደ እዩ' ከምዝበሉዎም ገሊጾም:: ንሶም ወሲኾም መንግስቲ ኣሜሪካ ንዩኒቨርስቲ መቐለ ብዛዕባ ይገብሮ ዘሎ ሓገዝ ዘተ ከምዝተገበረ ሓቢሮም:: ኣምባሳደር ራይነር ምስ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤልም ከምዝዘተዩ እውን ተሓቢሩ ኣሎ:: ኣብቲ ዘተ ኣብ ንግድን ወፍሪን ዝፍፀም ምትሕብባርን ኣብ ፖለቲካዊ: ማሕበራዊን ቑጠባዊን መዳያት ዝካየዱ ሓበራዊ ስራሕ ምዝታዮም ተገሊፁ ኣሎ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8C%A0%E1%88%9A%E1%89%B1-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%9D%E1%88%81%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%89%A8%E1%88%AD%E1%88%B2%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B3%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5115419.html"} {"headline":"‘መንግስቲ ኣብዚ ዓመት ንዝካየድ ምርጫ ድልው’ዩ’ፕረ.ሳህለወርቅ ዘውዴ","content":"ኣብዚ ዓመት ዝካየድ ምርጫ ቅድሚ ሎሚ ንዝተርኣዩ ጉድለታት ዝእርም ክኸውን መንግስቲ ድልው እዩ ክብላ ናይ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣፍሊጠን። ንሓባራዊ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ቤት ምኽሪ ፌደረሽንን ሎሚ ሶኑይ ኣብ ዘስምዕኦ መደረ ፖለቲካዊ ስርዓት ዴሞክራሲያዊ ንክኸውን ካብ ዝውሰዱ ስጉምትታት ኣብዚ ዓመት ክካየድ ትፅቢት ዝግበረሉ ሃገርለኸ ምርጫ ሓደ እዩ ኢለን። “እነካይዶ ምርጫ ብዝተኸኣለ መጠን ኣብ ሕሉፍ ምርጫታት ንዘጋጠሙ ግድፈታት ብዝእርም መልክዕ ክፍፀም፣ነፃን ዴሞክራሲያዊን ኮይኑ ተኣማኒን ቅቡልን ክኸውን፣ፖለቲካዊ ልሂቃንን ምልኣተ ህዝብን ዝሳተፍሉ ክኸውን ክግበር እዩ።” ነዚ ንምዕዋት ድልውነት መንግስቲ በይኑ እኹል ስለዘይኮነ ቅንዕናን ተሳተፎን ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ፖለቲካዊ ውድባት፣መሓውራት ዜናን ናይ ስቪክ ትካላትን ወሳኒ እዩ ኢለን። ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ኣብ መደርአን ኣብ ጉዳያት ቁጠባ ብዛዕባ ዝካየድ ለውጢ’ውን ጠቂሰን’የን። ብቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝተጣየሰን ኣብ ቀረባ ወግዓዊ ዝኾነን ሃገር በቀል ፕሮግራም ቁጠባዊ ምምሕያሽ ዝተባህለ ዓብይ ኮሚቴ ሓደ ምዃኑ ኣብ መደርአን ሓቢረን። ንሰን ወሲኸን ዝተመረፁ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ብከፊል ወይ ብምሉእ ናብ ውልቂ ምዝዋር ከምኡ እውን ብሽርክና መንግስትን ውልቀሰባትን ዝስርሑ ፕሮጀክትታት ናይ ምትግባር ስራሕ አሓይሉ ክቅፅል እዩ ኢለን። ፕረ. ሳህለወርቅ ቴሌን ኣብ ትሕቲ ኮርፐረሽን ሽኮር ዝርከቡ ኩባኒያታትን ፕሮጀክትታትን ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ብከፋል ወይም ብምሉእ ናብ ውልቂ ክዛወሩ እዮም ኢለን ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%9A-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8D%83-%E1%8B%B5%E1%88%8D%E1%8B%8D-%E1%8B%A9-%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%88%B3%E1%88%85%E1%88%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%85-%E1%8B%98%E1%8B%8D%E1%8B%B4\/5114075.html"} {"headline":"ኣምባሳዳራት ሽዱሽተ ሃገራት ኣብ ክልል ትግራይ ናይ ስራሕ ምብጻሕ አካይዶም","content":"ኣምባሳደራት 6 ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ስራሓት ልምዓትን ታሪኻዊ መስጊድ ኣልነጃሺ ዑደት አካይዶም። እቶም ኣምባሳደራት ኣብ ኣማራፂ ኢንቨስትመንት ትግራይ ጠሚቱ እውን ምስ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዘተ ኣካይዶም እዮም:: ኣምባሳደራት ሽዱሽተ ሃገራት (ቱርኪ፣ ካዛኪስታን፣ ስሪላንካ፣ ኢንዶኖዢያ፣ ፓኪስታንን ባንግላዲሽን) ኣብ ክልል ትግራይ ዑደት ልምዓት ንምክያድ ዝሓለፈ ዓርቢ ረፋድ ናብ መቐለ ዝኣተዉ ኮይኖም ብላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ: መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት ኣካላትን ኣቀባብላ ተገይርሎም:: እቶም ኣምባሳደራት ኣብ ፓርክ ኢንዳስትሪ መቐለ: ትካላት ትእምት: ብናይ ወፃኢ ሃገራት ኢንቨስተራት ኣብ ዝተሃነፃ ዓበይቲ ፋብሪካታትን ብተወሳኺ ድማ ኣብ ታሪኻዊ መስጊድ ነጋሽ ዑደት ገይሮም እዮም:: እቶም ኣምባሳደራት ምስ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል እውን ዘተ ኣካይዶም እዮም። ኣምባሳደር ባንግላድሽ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሙኒር ብዘካየድዎ ዑደት ከምዝተሓጎሱ ብምግላፅ ክልል ትግራይ ወናኒት ብዙሓት ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ምኳና ከምዝተረድኡ ድማ ሓቢሮም:: \"ኣብዚ ዓብዪ ዓቕሚ ኣሎ: ሰፊሕ ዕድል’ውን ኣሎ:: ብዓቕሚ መሪሕነት ድማ ሰላምን ምርግጋእን እውን ኣብዚ ኣሎ:: መላእ ኢትዮጵያ ይኹን ክልል ትግራይ ከምትምዕብሉን ትልወጡን ድማ ይኣምን:: ኣብ ጉዕዞ ዕብየትኩም ድማ ካባና ትፅቢት ዝግበር ኩሉ ክንፍፅም ኢና::\" ኣምባሳደር ኣል ቡስራ ባስኑርን ብወገኖም ሓሙሽተ ናይ ሃገሮም ኩባንያታት ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝተዋፈሩ ገሊፆም ብቐፃሊ ድማ ሰብሃብቲ ሃገሮም ናብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ ሃብቶም ንከውፍሩ ክሰርሕ እየ ኢሎም:: ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ዶክተር ደብረፅዮን ብወገኖም ክልል ትግራይ ካብ መካ ቐፂሉ ብኣመንቲ እስልምና ዓብዪ ቦታ ዝወሃቦ ታሪኻዊን ጥንታውን መስጊድ ነጋሽ ሓዊሱ ንመስሕብ ቱሪዝም ዝኾኑ ዓብዪቲ ቦታታት ዘለዋ እያ ኢሎም:: ዝተፈላለዩ ዘደንቑ ጥንታውያን ኣብያተ ክርስትያን፣ እውን ዘለዋ ክልል እያ ኢሎም:: እቶም ሽዱሽተ ኣምባሳደራት ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ምቹእ ኩነታት ንሰብሃፍቲ ዓዶም ከላልዩ ዝሓተትዎም ዶክተር ደብረፅዮን ድልየትና ሓቢርና ምዕባይ እዩ ኢሎም:: ኣብቲ መድረኽ ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ኣማራፂ ኢንቨስትመንት ቀሪብሎም እዩ:: ክልል ትግራይ ንወደብ ቀረባ ምዃና ንኢንቨስትመንት ተመራፂት ከምዝገብራንመዓድናት ወርቂ ሳፋየር ሓዊሱ ኣብቲ ክልል ብዙሓት መዓድናት ከምዘለዉ ተገሊፁ እዩ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B3%E1%8B%B3%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%BD%E1%8B%B1%E1%88%BD%E1%89%B0-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D\/5114002.html"} {"headline":"ፖሊስ አዲስ አበባ ዘዳለዎ ሓድሽ ዩኒፎርም ነቲ ዝነበረ ዝትክእ ከምዘይኾነ ተገሊጹ","content":"ፖሊስ ከተማ አዲስ አበባ ብሓድሽ መልክዕ ዝተዳለወ ተወሳኺ ዩኒፎርም ኣብ ስራሕ ኣውዒሉ’ሎ: እንተኾነ ግን ነቲ ስሩዕ ዩኒፎርም ዝትክእ ከምዘይኾነ ፖሊስ እታ ከተማ ኣፍሊጡ። እቲ ሓድሽ ወታሃደራዊ መልክዕ ዘለዎ ዩኒፎርም ካብ ዓቕሚ ስሩዕ ፖሊስ ንላዕሊ ዝኾኑ ናይ ጸጥታ ጉዳያት ቀልጢፎም ንዝበጽሑ ሓደሽቲ ዝሰልጠኑ አባላት ዝተዳለወ ምዃኑ ሓላፊ ህዝባዊ ርክብ ኮሚሽን ፖሊስ አዲስ አበባ ኮማንደር ፋሲካ ፈንታ ኣፍሊጦም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8B%98%E1%8B%B3%E1%88%88%E1%8B%8E-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%8D%8E%E1%88%AD%E1%88%9D-%E1%8A%90%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%8B%9D%E1%89%B5%E1%8A%AD%E1%8A%A5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8A%BE%E1%8A%90-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5111095.html"} {"headline":"ኣብ ትግራይ ሓዱሽ ተቃዋሚ ፖለቲካዊ ውድብ ተመስሪቱ","content":"እዚ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተመስረተ ውድብ ዓሲምባ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ ( ዓዴፓ) ይብሃል። እዚ ሓዱሽ ውድብ ብሄራዊ ምርጫ ቦርድ ዝሓቶ ናይ መጀመርያ መመዘኒ ኣማሊኡ ተመዝጊቡ ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ ከም ዝርከብ ኣተሓባበሪ ዓዴፓ ኣይተ ዶሪ ኣስገዶም ገሊጾም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%8B%B1%E1%88%BD-%E1%89%B0%E1%89%83%E1%8B%8B%E1%88%9A-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AA%E1%89%B1\/5110832.html"} {"headline":"ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣስታት 30 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምምላሱ ሓቢሩ","content":"ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣስታት 30 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምምላሱ ሓቢሩ። ወሃቢ ቃል ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣዩብ ጋሲም ብሶሉስ ኣብ ዝዘርግሕዎ መግለጺ 31 ስደተኛታት ጽዒና ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ኣውሮጳ ንምብጻሕ ትጉዓዝ ዝነበረት ጀልባ ኣብ ከባቢ ገማግም ባሕሪ ከተማ ሳባርታ ከምተታሕዘት ሓቢሮም። ንሶም ብተወሳኺ እቶም ስደተኛታት ናብ መዳጎኒ ማእከል ኮምስ ከምተወስዱ ገሊጾም ኣለው። ወሃቢ ቃል ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣዩብ ጋዚም 15 ቱኒዝያዊያን ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ሰባት’ውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ሓቢሮም ኣለው። ሰበ ስልጣን ቱኒዝያ ግን ብዛዕባ’ዚ መልሲ ኣይሃቡን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%88%88%E1%8B%8B-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%88%8A%E1%89%A5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-30-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8B%E1%8B%AD-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%B1-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5109099.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ ጎንደርን ከባቢኣን ተፈጢሩ ዝነበረ ውጥረት ናብ ንቡር ምምላሱ ኮሚሽነር ፖሊስ’ቲ ክልል ኣፍሊጦም","content":"ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ከተማ ጎንደርን ከባቢኣን ተፈጢሩ ዝነበረ ምዝራግ ጸጥታ ናብ ንቡር ተመሊሱ ክብል ኮሚሽነር ፖሊስ’ቲ ክልልን ገለ መሰካኽርን ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።ድሕሪ’ቲ ጎንጺ ኢድ ህውሓት ኣለዎ ክብሉ’ውን እቶም ፖሊስ ኮሚሽነር ገሊጾም። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዜጋታቱ ንግዚኡ ናብቲ ከባቢ ከይኸዱ ኣዘኻኺሩ’ሎ። ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ኣምሓራ እቲ ኣብ ጎንደርን ከባቢኣን ዘጋጠመ ጎንጺን ህውከትን ምስቲ ናይ ወረዳ ጭልጋ ዝተሓሓዝ’ዩ ድሕሪ ምባል መበገሲ ክልቲኡ ግጭታት ተመሳሳሊ’ዩ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%8A%A3%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%A2%E1%88%A9-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%8B%8D%E1%8C%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%89%A1%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%B1-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%90%E1%88%AD-%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A6%E1%88%9D\/5107961.html"} {"headline":"ግብረ መልሲ አባል ፈጻሚ ስራሕ ህውሓት ንኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ኣምሓራ","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ንገለ ኣባላት ማሕበረሰብ ቅማንት ወታሃደራዊ ስልጠና ብምሃብ ህወሓት ነቲ ከባቢ ይርብሾ ኣሎ ብምባል ኣብዚ ሰሙን ንድምጺ ኣሜሪካ ዝተዛረቡ ኮምሽነር ፖሊስ እቲ ክልል ኣበረ ኣዳሙ ጠሚቱ ሎሚ ረቡዕ ምላሽ ዝሃቡ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ውድቦም ከምኡ ዓይነት ስራሕ ከምዘይፈፀመ እቶም ፖሊስ ኮምሽነር ሓዊሱ ኩሉ ይፈልጥ እዩ ኢሎም:: ኣመራርሓ ፀጥታ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን መጥቃዕቲ ንምብፃሕ ኣብ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ካብ ተጠቃዕቲ ወገን ግብረ መልሲ እንትወሃቦም ኩሉ ግዜ ዝዛረብዎ እዩ ብምባል ድማ ተዛሪቦም:: ንሶም ብተወሳኺ ሕጋዊ ሕቶ ህዝቢ ቅማንት ድማ ንድግፎ ኢና ኢሎም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%8D%88%E1%8C%BB%E1%88%9A-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%90%E1%88%AD-%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB\/5107934.html"} {"headline":"ካብ ቤት ጽሕፈት ዲሞክራሲ፣ሰብኣዊ መሰላትን ዕዮን ዓለምለኸ ሃይማኖታዊ ነፃነትንዝተላእኸ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኤርትራ ዑደት አካይዱ","content":"ካብ ቤት ጽሕፈት ዴሞክራሲ፣ሰብኣዊ መሰላትን ዕዮን ዓለምለኸ ሃይማኖታዊ ነፃነትን ዝተላእኸ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኤርትራ ዑደት ከምዝፈፀመ ኣብ ኤርትራ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።እቲ ልኡኽ ምስ መንግስቲ ኤርትራ፣ማሕበረሰብ ዲፕሎማሲን ምስ ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ኤርትራን ንምርኻብ ናብ ኤርትራ ምጉዓዞም እቲ ሓበሬታ ይገልፅ። እቲ ጉጅለ ንስነስርዓት ኣከባብራ በዓል መስቀል ከምዝተዓዘበ እቲ ሓበሬታ ይገልፅ።ካብ 26 ክሳብ 28 መስከረም ኣብ ዝተኻየደ ዑደት እቲ ልኡኽ ምስ መን ከምዝተዘራረበን ኣብ ምንታይ ጉዳያት ከምዝዘተየን ግን ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን። ብኻልእ ዜና ናይ ሕቡራት ሃገራት ተሓጋጋዚት ዋና ፀሓፊ ንጉዳያት ሰብኣዊ ጉዳያት አርሴላ ሙለር ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ብቕድሚ ትማሊ ሶኑይ ናብ ኤርትራ ምክያደን ተፈሊጡ። ንሰን ምስ ሚንስትራት ጥዕና፣ሕርሻ፣ሃገራዊ ልምዓት፣ሓበሬታ፣ሚንስትር ዕዮን ማሕበራዊ ጉዳያትን ከምኡ እውን ምስ ፕረዚደንትት ሃገራዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ተኸታታሊ ዘተ ከምዘካየዳ ኣብ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ዝወፀ ዜና ሓቢሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8C%BD%E1%88%95%E1%8D%88%E1%89%B5-%E1%8B%B4%E1%88%9E%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%88%B2-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%95%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%88%83%E1%8B%AD%E1%88%9B%E1%8A%96%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%8A%90%E1%8D%83%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8A%A5%E1%8A%B8-%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/5107689.html"} {"headline":"ምድንጓይ ህንጸት ናይ ህዳሴ ግድብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ሜተክ’ዩ ክብሉ ሰበ ስልጣን’ቲ ግድብ ሓቢሮም","content":"ህንጸት’ቲ 4 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ዝተገብረሉ ናይ ህዳሴ ግድብ ኢትዮጵያ ብሓሙሽተ ዓመት ዝተዳናጎየ ነቲ ሕማቕ ስራሕ ኣብ ምትዕርራይን ንምትካእን’ዩ ክብሉ ሓደ ካብ ኣብቲ ፕሮጀክት ዝሰርሑ ዘለው ሰበ ስልጣን ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ መመንጨዊ ጸዓት ኽከውን ተስፋ ዝተገብረሉ ፕሮጀክት ኣብ 2011 ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ዝተፈላለዩ ዕንቅፋታት ይገጥሞ ኣሎ። ግብጺ ህንጸት’ቲ ግድብ ንህላወ ምንጪ ጽሩይ ዝስተ ማይ ዝኾነ ፈለግ ኒል ዝጸልው’ዩ ክትብል ከላ ንህንጸt’ቲ ግድብ ሓላፍነት ዘዋህቦ ትካል ሜቴክ ድማ ብሰንኪ ብልሽውና ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ካብቲ ፕሮጀክት ምውጽኡ ተገሊጹ’ሎ። ምክትል ሓላፊ’ቲ ፕሮጀክት ኣቶ በላቸው ካሳ ኣብዚ ሕጂ እዋን መሃንዲሳት ነቲ ብሜቴክ ዝተሰርሐ ገለ ስርሓት ኣብ ምትዕርራይን ምትካእን ከምዝርከቡ ሓቢሮም ኣለው። No media source currently available ኣብዚ ሕጂ እዋን ብኢጣልያ፡ፈረንሳ፡ቻይና ዝውነና ናይ ህንጻ ትካላት ኣብዚ ስራሕ ተዋፊረን ከምዘለው’ውን ተፈሊጡ’ሎ። ብመሰረት ፈላማይ ውጥን ህንጸት እቲ ግድብ ቅድሚ ሓደ ዓመት ንምዝዛም’ዩ ኔሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%8A%95%E1%8C%93%E1%8B%AD-%E1%88%85%E1%8A%95%E1%8C%B8%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%88%9C%E1%89%B0%E1%8A%AD-%E1%8B%A9-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%89%B2-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/5107584.html"} {"headline":"ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሓይልታትን ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ህይወት ሰብ ምጥፍኡን ንብረት ምዕናውን ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ማእከላዊ ጎንደር ወረዳ ጭልጋ ብፍላይ ድማ ማሕበረሰብ ቅማንት ኣብ ዝነብርሉ ከባቢ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሓይልታትን ፍሉይ ሓይሊ’ቲ ክልል ብዝተፈጥረ ጎንጺ ህይወት ሰብ ምጥፍኡን ንብረት ምዕናውን ተገሊጹ። ስልጠና ዝወሰደ ብፍሉይ ኩነታት ተወዲቡ ዝንቀሳቀስ ዘሎ ጉጅለ ነቲ ማሕበረሰብ ይህውጽ ኣሎ ክብሉ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኣምሓራ አበረ አዳሙ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም። ፖሊስን ሓይልታት ምክልካልን ነቲ ኩነታት ንምፍታሕ ይፍትን ኣሎ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8E-%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8D%8D%E1%88%89%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%A8-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8C%BA-%E1%88%85%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8C%A5%E1%8D%8D%E1%8A%A1%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%8A%93%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5106370.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ፕረ.ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝተኻየደ መበል 74 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ናይ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ መደረ ኣስሚዐን ኔረን። ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት ዝኾና ሳህለወርቅ ዘውዴ ብዛዕባ ኣተዓባብይአን፣ትምህርቲ፣ናይ ስራሕ ተመኩሩአንን ኣብ ዙሪያ ጭብጢ ዘስምዕኦ መደረን ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ቃለ መጠይቕ አካይደን። ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ካብ ዘፍረዮ ስድራ ከምዝተወልዳ ዝገለፃ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ወለደን ብፍላይ ድማ ወላዲ ኣቡአን ኣብ ብቕዓት ደቂ ኣንስትዮ ዝኣምኑ ምንባሮም ይገልፃ። “ብፍላይ ወላዲ ኣቦና ኣብ ብቕዓት ደቂ ኣንስትዮ ዝለዓለ እምነት ነይሩዎ።ዋላ ሓደ ነገር ኣይሕርብተክንን፣ኩሉ ነገር ክትሰርሓ ትኽእላ ኢኺን እናበለናየ እየ ዓብየ።ክሳብ ሎሚ ኣብ እዝነይ ዝሰምዖ እዚ እዩ።ሓደ ፈተና ከጋጥመኒ ከሎ እንታይ ክገብር ከምዘለኒ ተማሂረ እየ ዓብየ።ኣምላኽ ይመስገን ንዘጋጥመኒ ፀገም ድማ ይዋፅኦ እየ።” ኣብ ፈረንሳ ቋንቋ ፈረንሳ ተማሂረን እየን ዓብየን።ትምህርተን ወዲአን ናብ ሃገረን ምስተመልሳ ኣብ ሚንስትሪ ትምህርቲ ብሕታዊት ሓላፊት ናይ ሓደ ክፍሊ ኮይነን ከምዘገልገላ ይገልፃ። ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን ን20 ዓመታት ቋንቋ ፈረንሳ ኣብ ዝዛረባ ሃገራት ኣፍሪቃ ከምኡ እውን ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብኣምባሳዳርነት ኣገልጊለን። ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓጋዚትን ፍልይቲ ልእኽቲን ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ብምዃን እውን ኣገልጊለን እየን። ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊትን ፀጋታትን ናይ ምንቅስቓስ ስልጣን ዘለዎ ቀዳማይ ሚንስትር ባህሪ ውልቀ መላኽነት እንተድኣ ኣርእዩን ዘይግብኡ ተግባራት እንተፈፂሙን ደው ናይ ምባል ድፍረት ክህልወን እንተኾይኑ ዝተሓተታ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ከምዚ ዝበለ ነገር ክፍጠር እዩ ዝብል እምነት የብለይን እንተተፈጢሩ ድማ ምስኮነ ክንዘራርበሉ ኢለን።እቲ ቀንዲ ነገር ግን ናይ ስልጣን ደረጃ እናልዐልካ ኣነ ብላዕሊ ካልእ ብታሕቲ ዝበል ዘይኮነ ካልእ እዩ ኢለን። “ሎሚ ኢትዮጵያ ትሓቶ ዘላ ኣዚዩ ብዙሕ ስራሕ ክስራሕ፤ናይቲ ህዝቢ ሕቶ ምምላእ እዩ።ናይ ግዝኣት ክርክር ክመፅእ ኣለዎ ኢለ ኣይኣምንን።ኣነ ብወገነይ ኣብዚ ፀዋታ እዚ ክኣትው ኣይደልን እየ።” ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ናይ ሕቡራት ሃገራት መደርአን ትኹረት ካብዝገበራሉ ሓደ ዓብይ ጉዳይ ፀጥታን ድሕነትን ኢትዮጵያ ዝምልከት እዩ።ቅድሚ ክልተ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኩነታት ንህልውና እታ ሃገር ዝፈታተን ዘተሓሳስብ ሽግር ምንባሩ ብምዝኽኻር ካብኡ ግን ብዙሕ ርሕቐት ተጓዒዝና ኢና፤ኣንፃራዊ ሰላም እውን እናረኸብና ኢና መፂእና ኢለን። “ኣነ ብምኽንያት ስርሐይ ንብዙሓት ሃገራት ርእየ እየ፣ንብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ርእየ።ካልኦት ሃገራት ክንዲ ናይ ኢትዮጵያ ፀገማትን ፈተናታትን ዝፅዋራ ኣይመስለንን።ኢትዮጵያ ግን ብታሪኻ እውን ኣመስኪራ እያ።” ሰላም ንልዝብ ክቐርብ የብሉን ዝበላ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ህዝቢ ኢትዮጵያ ፈታዊ ሰላም እንተኾነ እውን ግዳይ ስእነት ሰላም ድማ ኮይኑ እዩ ኢለን።ነባሪ ሰላም ክረጋገፅ ዝኽእል ድልየት ህዝቢ ክረጋገፅ ከሎ እዩ ኢለን። “ክነግረካ !! ኣነ ኣብ ስርሐይ ዝርኣኹዎ ብዙሕ ግዜ ብዘረባ፣ቃል ብምእታው ብዙሕ ይበሃል።እቲ ፀገም ግን ናይ ኢትዮጵያ ጥራሕ ኣይኮነን ኣብታ ኣህጉር እውን ዘሎ እዩ።ናብ ባይታ ክትወርድ ከለኻ ኢኻ እቲ ትኽእክለኛ ነገር ትርእዮ።” ንሰን ቀጺለን ካብዚ ዝሓለፈ ግን እቲ ዘረባ ፖለቲካዊ ኮይኑ እዩ ክተርፍ ኢለን። “ኣነ ዝምነዮ ንዝኾነ ይኹን ዜጋ፣ኩላትና ክንሓልፎ ዘይብልና ቀይሕ መስመር ክነስምር ኣለና።ህይወት ፍኑው ኣይኮነትን፤ብሕጊ ይድረት እዩ።ናይ ሃገረይ ሰላም ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ መስመር ክሓልፍ የብለይን ዝብል መርገጺ ክንኽተል ኣለና።” ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ወሲኸን መንግስቲ ብሕጊ ዝተወሃቦ ሓላፍነት ክዋፃእ ኣለዎ እውን ኢለን። ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ኣብ መደርአን ዘልዐልኦ ካልእ ጉዳይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንደቂ ኣንስትዮ ዝሃቦ ትኹረት እዩ።ናይ ባዕለን ከምኣብነት ኣልዒለን ብዛዕባ ዝተዛረባሉ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ቅድሚ ሎሚ ዝነበሩ መንግስታት እውን ይዛረብሉ ነይሮም እዮም ዝብል ተሓቲተን ክምልሳ ከለዋ ከምዚ ኢለን። “ብዙሕ ይንገር ነይሩ ምባል ሓደ ነገር እዩ፤ኣብ ግብሪ ምውዓል ድማ ካልእ እዩ።ኣብ ሕሉፍ መንግስታትን ኣብዚ ናይ ሎሚ መንግስትን ሪኢናዮ ኢና።ኣብ ካብነ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ንምልከት ኮፍ ዝበለትሉ ግዜ ነይሩ እዩ።እዚ መንግስቲ እዚ ግን ኣዚዩ ዓብዩ ስጉምቲ እዩ ወሲዱ።ነዚ ክንኣምን ኣለና።ፍርቂ ካብነ ደቂ ኣንስትዮ እየን።” እዚ ማለት ግን ኣብ መወዳእታ ምዕራፍ ናይቲ ፀዋታ ተበፂሑ ማለት ኣይኮነን፣ደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ደቂ ተባዕቲዮ እናተወዳደራ ክዓብያ ዝኽእላሉ ኩነታት ክዳለው ኣለዎ ኢለን።ንሰን ርእሰ ብሄር ክኾና ዝተኸፈተ ማዕጾ ክቕፅል እንተዘይገይረን ተመሊሱ ክዕፀው እዩ፤ተኸፊቱ ክቕፅል ምስ ደቂ ተባዕቲዮ ተሓባቢርና ክንሰርሕ ኣለና ኢለን። ኣብ መደርአን ብዛዕባ ምትሕብባር ናይቲ ዞባ ዘልዓላሉ መንፈስ መሰረት ገይሩ ሃገረን ኣብ ወጥሪ እናሃለወት ብዛዕባ ካልኦት ሃገራት ምልዓለን ብዝምልከት ንዝቐረበለን ሕቶ እቲ ከባቢ ብሓባር እንተሰሪሑ ንኹሉ ዝተርፍ እዩ ንምባል እዩ ኢለን። “ክብሎ ዝደለኹ ንሕና ምስ ኤርትራ ርክብና ክነመሓይሽ፣ንሱዳን እውን ክንዓርቕ ከለና እቲ ዞባ ናይ ሰላምን ናይ ምትሕብባርን ዞባ ክኸውን እዩ ንምባል እዩ።ከምኡ እተዘይጌርና ነዊሕ ክንጉዓዝ ኣይንኽእልን።” ብዛዕባ ግብፂ ንምሕላፍ ዝደለይኦ መልእኽቲ እውን ቴክኒካል ልዝብ ይካየድ ስለዘሎ እቲ ልዝብ ክቕፅል ንሓግዝ፣ንዝተጀመረ ልዝብ ዕንቅፋት ክንፈጥር የብልናን ዝብል እዩ ክብላ ናይ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣረዲኣን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%B3%E1%88%85%E1%88%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%85-%E1%8B%98%E1%8B%8D%E1%8B%B4\/5106331.html"} {"headline":"መበል 7ይ ዓመት ምምስራት ጉጅለ ባህሊ ትግራይ ተኸቢሩ","content":"ጉጅለ ባህሊ ትግራይ 32 መናእሰይ ሒዛ ኣብ መወዳእታ 2004 ዓ\/ም ተጣይሻ። ዛጊት 7 ዓመት ኣቁፂራ ኣላ። ኣብ ዝተፈላለያ መድረካት ዝተፈላለዩ ባህላዊ መሳርሒ ሙዚቃ ትሓንጊጣ፡ባህላዊ ኣልባሳት ለቢሳ፣ እትርአ ጉጅለ ባህሊ እያ።ኩሎም መድረካት ባህላዊ ትሕዝቶ ተላቢሶም ደሚቆም ክሓልፉ ትገበር። ገብረማርያም መብራህቱ ማዕተበይ መስራትን ኣቦ መንበርን’ቲ ጉጅለ ባህሊ እዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%A0%E1%88%8D-7%E1%8B%AD-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%8A-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/5104658.html"} {"headline":"መደረ ሚ.ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ንመበል 74 ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት","content":"ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 74 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ሎሚ መደረ ዘስምዑ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝነበሮ ኩነታት ኣብ ዝሓሸ ኣወንታዊ ኩነታት ይርከብ፤ሃገሮም እውን ፀገማት ሰጊራ ውፅኢት ልምዓት ኣምፂኣ’ላ ኢሎም። ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ንመበል 74 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዝሓጸረ ምንባሩ ኣብቲ ቦታ ዝተረኽበ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ገሊጹ’ሎ። ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ዓለም’ውን እንተኾነ ኣብ መስቀለኛ መንገዲ’ያ ትርከብ ኢሎም። ሚዛን ሓይሊ እናተቀያየረ ምምጽኡ ዓቐበት እናሓየለን ናይ ምብዳህ ስምዒታት’ውን ይብርትዕ ከምዘሎ ዘርእይ’ዩ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8B%B0%E1%88%A8-%E1%88%9A-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%89%A0%E1%88%8D-74-%E1%8B%8B%E1%8B%95%E1%88%8B-%E1%88%95%E1%89%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-\/5104646.html"} {"headline":"ኤርትራ:ሃይማኖታዊ በዓላት ኣብ መስሕብ ቱሪዝም ኣገዳስነት ከምዘለዎ ተገሊጹ","content":"ቀዳም 28 መስከረም ኣብ ኣስመራ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ዝተኸብረ በዓል መስቀል ምስ ዓለማዊ መዓልቲ ቱሪዝምን ተደሪቡ ብምኽባሩ ኪኖቲ ምልላይ ባህላውን ሃይማኖታውን ትውፊት ኣብ መስሕብ ቱሪዝም ዓቢ ተራ ከምዘለዎ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም መንእሰያት ተዛሪቦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%83%E1%8B%AD%E1%88%9B%E1%8A%96%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%95%E1%89%A5-%E1%89%B1%E1%88%AA%E1%8B%9D%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%8B%B3%E1%88%B5%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8E-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5104584.html"} {"headline":"ሓጋዚ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም","content":"ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ሓላፊ ክፍሊ ልምዓት ኢንፎርመሽንን ሚዲያን ኮሚሽነር ሰይድ ኣሕመድ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም ተፈሊጡ። ብዛዕባ እዚ ዝተሓተቱ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ኣበረ ኣዳሙ እቲ ጉዳይ ኣብ ምርመራ ስለዝርከብ ምስተወድአ ክግለፅ እዩ ኢሎም። ኣብ ናይ ፌስቡክ ገፅ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ዝወፀ ፅሑፍ ግን ሓጋዚ ኮሚሽነር ሰይድ ኣሕመድ ዝተኣስርሉ ምኽንያት ምስ ናይ 15 ሰነ መጥቓዕቲ ብዝተኣሳሰረ ሓላፍነቶም ስለዘይፈፀሙን ኣብቲ ጉዳይ ኣፍልጦ ኣለዎም ዝብል መርትዖ ስለዘሎን እዩ ይብል ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8C%8B%E1%8B%9A-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%90%E1%88%AD-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%88%9D\/5104566.html"} {"headline":"ኣብ ማእከላይ ጎንደር ብዘጋጠመ ግጭት ህይወት ሰብ ምጥፉኡ ተገሊጹ","content":"ፖሊስ ኮሚሽን ናይ ኣምሓራ ክልል ኮሚሽነር ኣበረ ኣዳሙ ኣብ ዞባ ማእኸላይ ጎንደር ወረዳ ጭልጋ ብፍላይ ማሕበረሰብ ቅማንት ኣብ ዝነብርሉ ከባቢ ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልታት ብሰንኪ ዝጀመረ ግጭት ህይወት ሰብ ምጥፍኡን ንብረት ምዕናውን ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም። እቲ ግጭት ኣብ መንጎ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓትን ፍሉይ ሓይሊ ናይቲ ክልልን ዝተኻየደ ምዃኑ ብምግላፅ ዝንቀሳቐሱ ዘለው ዕጡቓት ስልጠና ወሲዶም ናይቲ ከባቢ ሰላም ይዝርጉ ኣለው ናይቲ ክልል ፍሉይ ሓይሊን ሓይልታት ምክልኻልን ድማ ነዚ ንምቁጽጻር ይጽዕሩ ኣለው ኢሎም። ሓደ ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ኣባል ማሕበረሰብ ቅማንት ዛጊት ዝተቐትሉ ልዕሊ ሸሞንተ ሰባት ዝቖሰሉ ድማ ሸውዓት ሰባት ከምዝኾኑ ብምሕባር እቲ ግጭት ንናይ ቅማንት ኮሚቴ ንምሓዝ ብዝተዋፈሩን ፍሉይ ሓይልታትን ፋኖን እዩ ክብሉ ሓቢሮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8B%E1%8B%AD-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8C%A5%E1%8D%89%E1%8A%A1-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5104546.html"} {"headline":"መልእኽቲ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ብምክንያት በዓል መስቀል","content":"ብምኽንያት’ቲ ሎሚ ዝተኸበረ በዓል መስቀል ብጽሑፍ መልእኽቲ ዘሕለፉ ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ‘ንኢትዮጵያ፣ ዓባይ፣ ብልጽግቲን ንኩላትና ምችእቲ ሃገር ንምግባር ዝጀመርናዮ ዕላማ ምዕዋቱ ዘይተርፍ’ዩ’ ኢሎም። እቶም ቀ\/ሚ ዝላኣኽዎ ጽሑፍ ‘ነዚ ሓቂ’ዚ ዝብድሁ ሓያላት ዋላ’ውን እንተመሰሉ፣ እናሓደረ ከም ስንቂ ክፎኽሱ’ዮም፣ ንሓቅታትና ዝቐበርዎ መሲልዎም ንጊዚኡ ይሕጎሱ፣ እቶም ኣብ ዙርያና ዘለው ድማ ሓቅታትና ዝተቐበረ መሲልዎም ይሓዝኑ’ ይብል ። ‘እዚ ግና ባህርይ ሓቂ ካብ ዘይምርዳእ ዝምንጩ’ዩ፣ ንሓቂ ምብዳህ’ምበር ምስዓር፣ ምቅዋም’ምበር ምጥፋእ ፈጺምካ ኣይካኣልን’ ኢሎም። በዓል መስቀል ሎሚ ብሕልፊ ኣብ አዲስ አበባ ብድሙቕ ተኸቢሩ ኣሎ። ርእሰ-ጳጳሳት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኣቡነ ማቲያስ ‘ኣብ ልዕሊ እታ ቤተ ክርስትያን ይፍጸም ኣሎ’ ዝበልዎ መጥቃዕቲ ደው ንክብል ጸዊዖም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%89%B2-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%89%80%E1%88%8D\/5101760.html"} {"headline":"ሱዳን ምስ ሊብያን ማእከላይ ኣፍሪቃን ዘዋስን ዶባታ ዓጽያ","content":"መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ብሰንኪ ቁጠባዊን ጸጥታዊን ስግኣት ምስ ሊብያን ማእከላይ ኣፍሪቃ ዘዋስን ዶባት’ታ ሃገር ብቅልጡፍ ክዕጸው ወሲኑ’ሎ ። ቤት ምኽሪ ሉአላዊነት ሱዳን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ ዶባት ክልቲኦም ሃገራት ዝንቀሳቀሱ ተሽከርከቲ ጎነጽ ኣብ ምልዕዓል ተሳቲፎም እዮም ዝበለ ኽኸውን ከሎ ነቲ ስግኣት ዝበሎ ግን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን። እዚ መግለጺ ዝተዋህበ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ምስ መንግስቲ ደቡብ ዳርፉር ዘካየዶ ልዝብ ስዒቡ’ዩ። እዚ መግለጺ ሱዳን ምስ ቻድ ዘዋስን ዶብ ኣይረቑሓን ሱዳን ን ቻድን ናይ ጸጥታ ስምምዕን ሓለዋ ዶብን ከምዘለወን ይፍለጥ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%8A%E1%89%A5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8B%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8B%98%E1%8B%8B%E1%88%B5%E1%8A%95-%E1%8B%B6%E1%89%A3%E1%89%B3-%E1%8B%93%E1%8C%BD%E1%8B%AB\/5101466.html"} {"headline":"መደረ ፕረ. ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ መበል 74 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕ\/ሃ","content":"ኣብዚ ኣብ ኒውዮርክ ይካየድ ኣብ ዘሎ መበል 74 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት መደረ ዝስመዓ ናይ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ለውጢ ስዒቡ መንግስቲ ኣብ ሓያለ ጨንፈራት ትኹረት ሂቡ ይስርሕ ከምዘሎ ተዛሪበን። ዓለም አጋጢምዋ ዘሎ ብድሆታት ለውጢ ክሊማ፡ግብረሽበራን ውድድር ኣጽዋርን ዝአመሰሉ ብድሆታት ድማ ዓለምለኸ መፍትሒ ዘድልዮም’ዮም ክብላ ገሊጸን። ፕረዚደንት ሳህለ ወርቅ ዘውዴ ኣብቲ ንመበል 74 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ብቋንቋ ኣምሓርኛ ዘስምዕኦ መደረ ኣብ ሃገረን ድሕሪ’ቲ ዝተኻየደ ለውጢ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ትኹረ ብምሃብ ይስራሕ ከምዘሎ ብመሰረ’ዚ ኸአ ዲሞክራሲያዊ መሰል ዜጋታት ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣር ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተፈላለየ ቁጠባውን ፖለቲካዊን ጉዳያት ኣብ ምዕባይ ጽቡቅ ፈረ የርእይ ኣሎ ኢለን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8B%B0%E1%88%A8-%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%88%B3%E1%88%85%E1%88%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%85-%E1%8B%98%E1%8B%8D%E1%8B%B4-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%89%A0%E1%88%8D-74-%E1%88%93%E1%8D%88%E1%88%BB%E1%8B%8A-%E1%8B%8B%E1%8B%95%E1%88%8B-%E1%88%95-%E1%88%83\/5100217.html"} {"headline":"ክልል ኦሮምያ፡ ዞባ ቦረና ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቓዕቲ 5 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቦረና ዝሓለፈ ቀዳም ዕጡቓት ብዝፈፀምዎ መጥቓዕቲ ኣባል ሓይልታት ምክልኻል ሓዊሱ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ተፈሊጡ። ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ቦረና ኣቶ ጉዮ ገልገሎ እቲ መጥቓዕቲ ፀረ ሰላም ሓይልታት ዝፈፀምዎ እዩ ክብሉ ኮኒኖም።ሓደ ተማሃራይ ሓዊሱ ናይቲ ከባቢ ፀጥታ ይሕልው ዝነበሩ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ከምዝተቐተሉ ወሲኾም ገሊፆም። ኣብቲ ቅትለት ተሳቲፎም ተባሂሎም ዝጥርጠሩ ብሕጊ ከምዝሕተቱ ብምግላፅ ክንደይ ከምዝተትሓዙ ግን ሕጂ ክንገልፅ ኣይንደልን ኢሎም።ድሕሪ ናይ ቀዳም ቅትለት ኣብቲ ከባቢ ምርግጋእ ምስፋኑ ነበርቲ ወረዳ ኣረሮን ኣማሓዳሪ እቲ ዞባን ምግላፆም ተሓቢሩ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%89%A6%E1%88%A8%E1%8A%93-%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%9D%E1%8B%8E-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-5-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/5098585.html"} {"headline":"ኤርትራዊያንን ተጋሩን ቆናጁ ዘሳተፈ ምርኢት ፋሽን (1ይ ክፋል)","content":"ኤርትራዊያንን ተጋሩን ቆናሁ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ 'ምርኢት ሞዴላት' ኣብ መቐለ ትግራይ ከምዝተሳለጠ ኣጋይሽና ይገልጹ። ኤርትራዊ ፍሊሞን ኤርምያስ (ማንዴላ) ብመሃንዲስነት ዝመርሖን ዝቀለሶን እቲ መድረኽ ቆናጁ ዕውት ከምዝነበረ ክልቲኦም ኣጋይሽና ይዛረቡ። ገንዘባዊ\/ፋይናንሳዊ ደገፍ ኣብ ምትእኽኻብ ዝነጠፈ ይርጋለም ሓየሎም ብወገኑ 'እቲ መድረኽ ቆናጁ ካብ'ቲ ቅድም ኢሉ ዝነበሮ ግምት ንላዕሊ ኮይኑ ከምዝረኸቦ' ይገልጽ። ኣብ መቐለ ዝተሳለጠ መድረኽ ምርኢት ሞዴላት ኤርትራን ትግራይን ልዕሊ ዕስራ ቆናጁ ከምዝተሳተፋሉ ፍሊሞን ማንዴላ ሓቢሩ ኣሎ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/fasion-show-tigray-eritrea-mekelle-show\/5098575.html"} {"headline":"ፈደራል ዓቓብ ሕጊ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ህውከት ብምልዕዓል ዝጠርጠሮም ኣስታት 1,300 ምኽሳሱ ኣፍሊጡ","content":"ፌደራል ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2011 ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረ ህውከት ብምስታፎም ዝተጠርጠሩ ልዕሊ 1,300 ሰባት ክሲ ምቕራቡ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኢፌድሪ ኣቶ ዝናቡ ቱሉ ዓመተ 2011 ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ኢትዮጵያዊያን ስቓይን ጥፍኣትን ገዲፉ ከምዝሓለፈ ገሊፆም። “ኣብ ኩሎም ክልላት ብዝተፈጥሩ ህውከትን ዕግርግርን ህይወት ኣስታት 1,229 ሰባት ዝጠፍአ ክኸውን ከሎ ልዕሊ 1,393 ሰባት ድማ ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት ወሪዱዎ’ሎ።ብዙሓት ካብ መነባብርኦም ምዝባሎምን ኣብ ልዕሊ ብሚልዮን ብር ዝግመት ንብረት ዕንወት ተፈፂሙ እዩ።” ኣብ ልዕሊ 1,300 ተጠርጠርቲ ክሲ ከምዝተኸፍተ ዝገለፁ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኢፌድሪ ኣቶ ዝናቡ ቱሉ ካብዚኦም ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዝኣተው 65 ሰባት ከምዝኾኑን ካብ ዝተኸሰሱ ሰባት ገለ ብዘለዎም ፖለቲካዊ መዝነትን ናይ ብሄር መንነትን ከም መከላከሊ ብምጥቃም ካብ ብሕጊ ምሕታት ከምልጡ ዘካይድዎ ፈተና ዕንቅፋት ከምዝኾኖም'ውን ገሊጾም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%89%93%E1%89%A5-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%88%88%E1%8D%88-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%8C%A0%E1%88%AD%E1%8C%A0%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-1-300-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%B3%E1%88%B1-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5098233.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ሰራሕተኛታት ዝስራሕ ዘሎ ፋብሪካ ሽኮር ብዕጡቓት መጥቓዕቲ ከምዘጋጠሞም ገሊጾም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ደቡብ ኦሞ ዞን ሰራሕተኛታት ዝስራሕ ዘሎ ፋብሪካ ሽኮር ብዕጡቓት ሓይልታት መጥቓዕቲን ቕትለትን ይፈጸመና’ሎ ክብሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም። ማሕበር ሰራሕተኛታት ኮርፐርሽን ሽኮር ኢትዮጵያ ሰራሕተኛታት ይቕትልዎ ከምዘለውን ብሰንኪ ፍርሂ’ውን እቶም ሰራሕተኛታት ስርሖም ሓዲጎም ይኸዱ ከምዘለው አረጋጊጹ’ሎ። ቤት ጽሕፈት ጸጥታን ሰላምን ክልል ደቡብ ብወገኑ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ብቕትለትን ከቢድ ገበናት ዝተጠርጠሩ 40 ውልቀሰባት ከምዝሓዘ ገሊጹ። እቲ ዞባ ካብ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝዓጠቑ ንምጽራይ ወፍሪ ከምዝጀመረ ገሊጹ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8B%9E%E1%88%9B-%E1%8A%A6%E1%88%9E-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8D%8B%E1%89%A5%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%88%BD%E1%8A%AE%E1%88%AD-%E1%89%A5%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%8C%BB%E1%88%99-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D-\/5097007.html"} {"headline":"ተጋሩ ኣብ ልዕሊ ትምኒትን ጋህዲን መስርሕ ዴሞክራሲን መጻኢ ጊዜን (1ይ ክፋል)","content":"ተጋሩ ኣብ ልዕሊ ትምኒቶምን ህልዊ ኩነታትን መጻኢን ዝተፈላለየ ኮይኑ'ዩ ዝስማዕ። ገሊኦም እዚ ዘለናሉ ወቕቲ ሳላ'ቲ ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ዝተመዝገበ ዝብልዎ ኣብ ኣገዳሲ ብራኸ በጺሑ ኣሎ። ዝተረፈ ድማ ኣብ ቀጻሊ ክንምለኦ ኢና' ክብሉ ከለው፣ ካልኦት ድማ 'ጊዜ ኪሳራ ኢና ኣሕሊፍና። ተጋሩ ንኢትዮጵያን ኢህወዴግን ኣሕሊፍና ዝሃብናሉ ወቕቲ'ዩ ነይሩ። ኣብ ትግራይ ብሕልፊ ተቓዋሚ ህወሓት ኮይንካ ንምንጣፍ ኣጸጋሚ ኮይኑ ከምዝጸንሐ' ይገልጹ። 'መጻኢት ትግራይ ግና ጠንካራ መንግስቲ፣ ትካላቱ ዘተኣማምን ምምሕዳር፣ ገዛኢ ፓርቲ ናብ'ዚን ናብ'ቲን እንተበለ ማዕረ ማዕሪኡ ዘይነቓነቕ ትካላት ኢና ክንውንን ዝግባኣና' ባሃልቲ'ውን ኣለው። ድምጺታት ህወሓት፣ ሳልሳይ ወያነ፣ ባይቶና ዓባይ ትግራይ ከምኡውን ንድምጺ ዓረና'ውን ዝውክል ካብ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ ትግራይ (ታንድ) ተሳቲፎም ኣለው። ዓረና ትግራይን ታንድን ንክተሓናፈጹ ኣብ ልዝብ ከምዝርከቡ ዝዝከር'ዩ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/tigray-politics-democracy-in-the-21-century-tplf-arena-baytona-salsay-weyane\/5095421.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ከተማ ሆሳእና ምስ ተወከልቲ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ሃዲያ ከተማ ሆሳእና ብምኻድ ምስ ወከልቲ ህዝቢ ምይይጥ ከምዘካየዱ ተፈሊጡ። ኣብቲ ምይይጥ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ተላዒሎም ምላሽ ከምዝሃቡ ተገሊፁ’ሎ። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ከተማ ሆሳእና ኣብ ዝአተውሉ ድሙቕ ኣቀባብላ ተጌርሎም። ብድሕሪ’ዚ ስም ወከልቲ ህዝቢ ናብ መአከቢ አደራሽ ምስ ዝአተው ምስ ተኻፈልቲ ተመያይጦም። ኣብ ዝተላዕሉ ዝተፈላለየ ጉዳያት ድማ ምላሽ ሂቦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%86%E1%88%B3%E1%8A%A5%E1%8A%93-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%8A%A8%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/5095396.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ብዝተላዕለ ዕግርግር ህይወት ሓደ ሰብ ምጥፍኡ ተገሊጹ","content":"ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ዳግም ብዝተላዕለ ዕግርግር ህይወት ሓደ ሰብ ከምዘጠፍአ ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮሚንኼሽን እቲ ምምሕዳር ገሊፆም።ነበርቲ ግን ብዝሒ መወቲ ሰለስተ እዮም ይብሉ። ትማሊ እውን ኣብያተ ክርስቲያን ንምቅፃል ከምኡ እውን ባንክታትን ትካላት ሕክምናን ናይ ምውራር ፈተነ ከምዝነበረ ተሓቢሩ’ሎ።እታ ከተማ ሎሚ ሶኑይ ተረጋጊኣ ከምዝውዓለትን ትካላት ንግዲ እውን ተኸፊቶም ኣገልግሎት ክህቡ ምውዓሎምን ተዘዋዊሩ ብዓይኑ ከምዝርኣየ ሪፖርተር ድምጺ ኣሜሪካ ኣዲስ ቸኮል ካብ ከተማ ድሬዳዋ ሓቢሩ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8B%B5%E1%88%AC%E1%8B%B3%E1%8B%8B-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88-%E1%8B%95%E1%8C%8D%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%88%AD-%E1%88%85%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8C%A5%E1%8D%8D%E1%8A%A1-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9-\/5095316.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ምስ መጥቓዕቲ ባህርዳርን አዲስ አበባን ብዝተአሳሰር ብዝሒ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዘለው ተጠርጠርቲ ኣስታት 100 ጥራይ ምኳኖም ተገሊጹ","content":"ምርመራ እቲ 15 ሰነ 2011 ዓ\/ም ኣብ ባህርዳርን ኣዲስ ኣበባን ዝተፈፀሙ ቕትለት ከምዝቐፀለ ጀነራል ኮሚሽነር ፌደራል ፖሊስ እንዳሻው ጣሰው ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።እቲ ምርመራ ደንጉዩ እዩ ዝብል እውን ግዜ ከምዝወስድ ይፍለጥ ነይሩ ክብሉ ብምሕባር ትኽክል ኣይኮነን ኢሎም። እቲ ምርመራ ምስ ተዛዘመ ንዝምልከቶ ኣካልን ህዝብን ወግዓዊ ክኸውን እዩ ኢሎም። ንሶም ወሲኾም ምስቲ መጥቓዕቲ ብዝተኣሳሰረ ካብ ዝተኣሰሩ ተጠርጠርቲ መብዛሕቲኦም ተፈቲሖም ኣለው፤ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዝርከቡ ካብ 100 ኣይበዝሑን ኢሎም ። ገለ ፖለቲካዊ ፓርትታት ግን ምስዚ ናይ 15 ሰነ ቕትለት ብዝተሳሰረ ብዝሒ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝአተው ብመንግስቲ ይግለፅ ካብዘሎ ንላዕሊ እዩ ይብሉ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%AD%E1%8B%B3%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%A0%E1%88%B3%E1%88%B0%E1%88%AD-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%92-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%89%90%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%A0%E1%88%AD%E1%8C%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-100-%E1%8C%A5%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%8A%B3%E1%8A%96%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5095293.html"} {"headline":"ውድድር ቻን ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያ ብሃገራዊት ጋንታ ሩዋንዳ 1ብ 0 ተሳዒራ","content":"ኣብ መፃረዪ ውድድር ሃገራት ኣፍሪቃ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ብሃገራዊት ጋንታ ሩዋንዳ 1ብ 0 ተሳዒራ፡፡ ትማሊ 11 መስከረም 2019 ሰዓት 10፡00 ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ዓለምለኸ ስታዲየም ክልል ትግራይ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያን ሃገራዊት ጋንታ ሩዋንዳ ንቀዳማይ ዙር መፃረዪ ፀወታ ሻንፕዮን ሃገራት ኣፍሪቃ(ቻን) ኣካይደን:: ስታዲየም ክልል ትግራይ ፈላማይ ዝኾነ ፀወታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ዘተኣናገደሉ እዚ ፀወታ ጋንታ ሩዋንዳ 1 ብ 0 ተዓዋቲት ኮይና ፡፡ No media source currently available ሩዋንዳ ተዓዊታ ክትወፅእ ኣብ መበል 60 ደቒቓ ብሕታዊት ሸቶ ዘቑፀረ ኤርነስት ሴጉራ እዩ:: ቅድሚ ዕረፍቲ ክልቲአን ጋንታታት ሸቶ ከየቑፀሩ እዩ ተዛዚሙ:: ብተደጋጋሚ ዕድል ሸቶ ብምፍጣር ተፃወቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድሕሪ ዕረፍቲ ዝሓሹ ነይሮም፡ክጥቀምሉ ግና ኣይከኣሉን:: ድሕሪ እቲ ፀወታ ርእይቶ ዝሃቡ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብርሃም መብራህቱ ኣብ ሩዋንዳ ዝካየድ ናይ መልሲ ፀወታ ዝሓሸ ተፃዊትና ውፅኢት ሒዝና ንምምላስ ፃዕሪ ክንገብር ኢና ኢሎም:: ኣሰልጣኒ ሩዋንዳ ቪንሰንት ሚሻሚ ብወገኖም ተጻወትና ሓያላት ነይሮም: ፅቡቕ ተኸላኺልና ስዒርና ግና ወፂእና ክብሉ ተዛሪቦም:: ካልኣይ ዙር ፀወታ መፃረዩ ውድድር ቻን ድሕሪ 26 መዓልታት ኣብ ሩዋንዳ ክልቲአን ሃገራት ክጋጠማ እየን:: ውድድር ቻን ኣፍሪካ 2020 ኣብ ካሜሮን ዝካየድ ኮይኑ ኣብ ሊጋት ውሽጢ ሃገር ዝፃወቱ ተፃወቲ ዝሳተፍሉ ውድድር እዩ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%8B%B5%E1%88%AD-%E1%89%BB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8C%8B%E1%8A%95%E1%89%B3-%E1%88%A9%E1%8B%8B%E1%8A%95%E1%8B%B3-1%E1%89%A5-0-%E1%89%B0%E1%88%B3%E1%8B%92%E1%88%AB\/5095264.html"} {"headline":"ናይሮቢ፡ ህንጻ ሓደ ቤት ትምህርቲ ብምፍራሱ 7 ተማሃሮ ሞይቶም","content":"ህንጻ ኣብ ማእኸላይ ከተማ ናይሮቢ ዝርከብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ሎሚ ሶኑይ ብምፍራሱ ብውሑዱ ሸውዓተ ተማሃሮ ሞይቶም ካልኦት ልዕሊ 60 ድማ ቆሲሎም። ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ‘Precious Talent Top School’ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ዝፈረሰ ቤት ትምህርቲ ዝተቐርቀሩ ንምውፃእ ኣብ ዝሰርሕሉ እዋን ስድራን ካልኦት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ተኣኪቦም ከምዝረአዩ ብምግላጽ እቲ ቤት ትምህርቲ ውሑስ ኣይነበረን ዝብል ርእይቶ ምስተሰምዐ ዝተኣከቡ ሰባት ቁጥዕኦም ክገልፁ ምርኣይም ሓቢሮም ኣለው። ብመሰረት ፀብፃብ ሮይተርስ ምኽንያት መፍረሲ ናይቲ ህንፃ ግልፂ ኣይኮነን።ሰበስልጣን ግን ቅድም ኢሎም ካብ 30 ሽሕ ክሳብ 40 ሽሕ ዝኾኑ ህንፃታት ብዘይካ መረጋገፂ ፍቓድ ኣብ ናይሮቢ ደው ኢሎም ናይ ምፍራስ ሓደጋ ከጋጥሞም ከምዝኽእል ኣጠንቂቖም ኣለው። ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ከተማ ናይሮቢ ዝወቕዐ ዝናብ ስዒቡ ሽዱሽተ ደብሪ ዘለዎ ህንፃ ተደርሚሱ 51 ሰባት ምሟቶም ይዝከር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%8B%AD%E1%88%AE%E1%89%A2-%E1%88%85%E1%8A%95%E1%8C%BB-%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%88%AB%E1%88%B1-7-%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%83%E1%88%AE-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/5094964.html"} {"headline":"ኢዜማ ናይ ደገፍ ማሕበር ክምስርት ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ","content":"ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ(ኢዜማ) ኣብ መላእ ዓለም ንዝነብሩ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ናይ ደገፍ ማሕበር ክምስርት ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ። ኢዜማ ብመሰረት'ዚ አዋጅ ስነ ምግባር ምርጫ ሓድሽ ፓርቲ እንደገና ንምምዝጋብ ከምዘይጽገም'ውን ኣቦ መንበር ቲ ፓርቲ ገሊጾም። እቲ ፓርቲ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ዜግነት መሰረት ዝገበረ ስርዓተ ፖለቲካን ማሕበራዊ ፍትሒ ንምስፋን ዕላማ ብዝገበረ ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለው ወረዳታት ከምኡ'ውን ኣብ ወጻኢ ሃገር ኢትዮጵያዊያን ዝነብሩለን ከተማታትት ኩለን ንህዝቢ ኣብ ምውዳብ ከምዝርከብ ገሊጹ'ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%8B%9C%E1%88%9B)-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%B0%E1%8C%88%E1%8D%8D-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8C%80%E1%88%98%E1%88%A8-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5092487.html"} {"headline":"ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣስታት 500 ስደተኛታት ካብ ከባቢ ትሪፖሊ ምድሓኖም ገሊጹ","content":"ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ትማሊ ሓሙስ 493 ስደተኛታት ካብ ሽዱሽተ ነአሽቱ ጀላቡ ካብ ከባቢ ከተማ ትሪፖሊ ምድሓኖም ገሊጾም። ካብቶም ስደተኛታት 28 ደቂ ኣንስትዮ ምዃነንን: እቶም ስደተኛታት ካብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ: ሃገራት ዓረብን ኤስያን ዝመጹ ምዃኖም ተገሊጹ'ሎ። ኩሎም ስደተኛታት ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ኣብ ዘመሓድሮ መዳጎኒ ስደተኛታት ከምዝተወስዱ ወሃቢ ቃል ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣዩብ ቃሲሞ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሮም። ምዕራባዊ ሊብያ ቀንዲ መበገሲ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ተበጊሶም ኣውሮጳ ንምብጻሕ ማእከላይ ባሕሪ ንዘቋርጹ ዜጋታት መበገሲ ኮይኖም ምጽንሖም ይፍለጥ። ዋላ'ዃ ቁጽሪ በዚ መንገዲ ኣውሮጳ ዝበጽሑ ስደተኛታት ካብ 2017 ጀሚሩ እንተጎደለ ስደተኛታት ናብ ከም ኮመስ: ዛውያ: ዙዋራ ዝአመሰሉ መዳጎኒ ማእከል ምውሳዶን ነቲ ናይ ሕጂ ቁጽሪ ካብ ምዕራብ ትሪፖሊ ዝበገሱ ስደተኛታት ምብዛሕ ምክን ያት ምዃኑ አዩብ ቃሲም የረድኡ። ብተወሳኺ ትማሊ ሓሙስ ሰዓታት ድሕሪ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ድሒኖም ኣብ መዳጎኒ ማእከል ምጽሖም ሓደ ሱዳናዊ ስደተኛ ብዝተተኮሰሉ ጥይት ምሟቱ ተፈሊጡ'ሎ። ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዝርዝር ሓበሬታ'ቲ ኩነታት ክሳብ ሕጂ ኣይገለጸን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%88%88%E1%8B%8B-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%88%8A%E1%89%A5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-500-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2-%E1%89%B5%E1%88%AA%E1%8D%96%E1%88%8A-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%93%E1%8A%96%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5091894.html"} {"headline":"ፆታዊ ጥቕዓት እንታይ የጠቓልል? ኣዋልድን ደቂ ኣንስትዮን ዓቐመን ክጥቀማን ከሐይላን ዘለው ፈተናታት!( 1ይ ኽፋል)","content":"ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝወርድ ኣካላዊ፣ፆታዊ፣ናይ ቃልን ስነኣምሮኣውን ከምኡ እውን ብኢኮኖሚ ክትፅቀጥ ምግባር፣ዕድል ትምህርቲ ምኽላእ ኣብ ፆታ መሰረት ዝገበሩ ጥቕዓታት ተባሂሎም ከምዝምደቡ ዶ\/ር ሄለን ቴድሮስ ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታ መቐል ሓኪም ትገልፅ። \"እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍፀም ፆታዊ ጥቕዓት ኢሉ ኣይኣምነሎምን’’ ዝበለት ዶ\/ር ሄለን ንጓል ኣንስተይቲ ምልካፍ ከም መቕቓዕቲ ኣይረኣይን፡ ሰበይቲ ብዓል ገዝኣ ክወቕዓ ከሎ ከም ጥቕዓት ዘይርኢ ሕብረተሰብ እዩ ዘለና ትብል። ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ጋዜጠኝነት ማቴዎስ ገብረህይወት ብወገኑ ፆታዊ ጥቕዓት ማሕበረሰባዊ ድጋፍ እውን ዘለዎ ስለዝመስል ብዝምልክት ኣብቲ ሕብረተሰብ ዘሎ ኣተሓሳስባ ክስራሕ ኣለዎ ይብል።ንደቂ ኣንስትዮ ምውቃዕ ዘተባብዕ ምስላታት ከምዘሎ ማቴዎስ ይገልፅ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/sexual-harassment-and-girls-women-empowerments-part-one-\/5090859.html"} {"headline":"ገንዘቤ ዲባባ ብሰንኪ ዘጋጠማ ጉድኣት ኣብ ዓለምለኸ ውድድር ዶሃ ከምዘይትሳተፍ ተሓቢሩ","content":"ተዓዋቲት ናይ ዓለም መዝገብ ክብሪ 1,500 ሜትር ዝኾነት ኢትዮጵያዊት ገንዘቤ ዲባባ ኣብ የማናይ እግራ ብዘጋጠመ ጉድኣት ካብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ዶሃ ዝጅምር ዓለምለኸ ውድድር ከምዘይትሳተፍ ተገሊጹ። ጓል 28 ዓመት ተዓዋቲ ክብረ መዝገብ ዓለም 2015 ገንዘቤ ዲባባ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ኣብ ናይ ዙሪች ዳይሞንድ ሊግ ኣብ የማናይ እግራ ብዘጋጠማ ጉድኣት ካብ ናይ ዶሃ ውድድር ምእላያ ዘሰልጥና ትካል ገሊጹ። ገንዘቤ ኣብ 2016 ውድድራት ሪዮ ተሸላሚት ብሩር ምኳና'ውን ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%88%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%89%A4-%E1%8B%B2%E1%89%A3%E1%89%A3-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%9B-%E1%8C%89%E1%8B%B5%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%8B%B5%E1%88%AD-%E1%8B%B6%E1%88%83-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%B5%E1%88%B3%E1%89%B0%E1%8D%8D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/5090794.html"} {"headline":"ክልተ ኤርትራውያን ዝተሳተፉሉ ዙር ቶስካና ብዓወት ኢጣልያዊ ጆቫኒ ቪስኮንቲ ተዛዚሙ","content":"ክልተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ዝርከቡሉን ትማሊ ዝተኻየደን ዙር ቶስካና ብዓወት ኢጣልያዊ ጆቫኒ ቪስኮንቲ ተዛዚሙ ኣሎ። ኮሎምብያዊ በርናል ኢጋን ካልኣይ ከምኡ’ውን ሩስያዊ ቸርካሶቭ ኒኮላይ ሳልሳይ ኮይኖም ነቲ ልዕሊ 204 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱን ብብርታዐኡ ኣህጉራዊ መለክዒ 2.1 ደረጃ ዘለዎ ዙር ቶስካና ተዓዊቶምሉ ኣለው። ኣብቲ 20 ክለባት ዝተሳተፋሉ ዙር ቱስካና: ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ማለት ካብ ክለብ ኣስታና መርሃዊ ቅዱስን ካብ ክለብ ኮፊደስ ናትናኤል ብርሃነን ዝተሳተፉ ክኾኑ እንከለው: መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ቀዳሞት ዓሰርተ ማለት ናይ ሻሙናይ ደረጃ ሒዙ ነቲ ውድድር ምፍጻሙ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ገሊጹ። ንሱ ንዙር ቶስካና ክዕወተሉ ትጽቢት ገይሩ እኳ ናብቲ ውድድር እንተኣተወ: ናይ ጭዋዳ ጸገም ኣጋጢምዎ ናይ ሻሙናይ ደረጃ ሒዙ - ምስ ቀዳሞት ዓሰርተ ኮይኑ መስመር ፍጻመ ክረግጽ ከምዝተገደደ ገሊጹ። እዚ ኣብ ኢጣልያ ዝተኻየደ ዙር ቶስካና ክፋል ናይቲ ዙር ኤውሮጳ 2019 ዝፍለጥ ቅድድም ብሽክለታ ኤውሮጳ እዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ መጠይቕ ምስ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ቪድዮ ቀሪቡ ኣሎ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%B3%E1%89%B0%E1%8D%89%E1%88%89-%E1%8B%99%E1%88%AD-%E1%89%B6%E1%88%B5%E1%8A%AB%E1%8A%93-%E1%89%A5%E1%8B%93%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%8C%A3%E1%88%8D%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%8C%86%E1%89%AB%E1%8A%92-%E1%89%AA%E1%88%B5%E1%8A%AE%E1%8A%95%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%99\/5090559.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ምዕራብ ወለጋ ኣብ ወታሃደራዊ ስፍራ ብዝተደርበየ ነታጊ 1 ሰብ ሞይቱ ካልኦት 3 ቆሲሎም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ምዕራብ ወለጋ ትማሊ ኣብ ሓደ ናይ መንግስቲ ወታሃደራዊ ስፍራ ብዝተደርበየ ነታጊ ሓደ ሰብ ሞይቱ ካልኦት ሰለስተ ድማ ምቁሳሎም ኣመሓዳሪ’ቲ ዞባ ኣፍሊጦም። ነዚ ናይ ትማሊ መጥቃዕቲ ነታጊ ኾነ ቅድም ክብል ኣብ ከተማ ጉሊሶ ዝተፈጸመ ቅትለት ከንቲባ’ታ ከተማ ዝፈጸሞ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቀስ ዕጡቅ ጉጅለ ‘ኦነግ ሸኔ’ዩ’ ክብሉ ኣመሓዳሪ’ቲ ዞባ ኣቶ ኤልያስ ኡመታ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8C%8B-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%B5%E1%8D%8D%E1%88%AB-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%89%A0%E1%8B%A8-%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%8C%8A-1-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B1-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A6%E1%89%B5-3-%E1%89%86%E1%88%B2%E1%88%8E%E1%88%9D\/5089039.html"} {"headline":"ኢትዮጵያን ግብጺን ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ልዝብ ህዳሴ ግድብ ኢትዮጵያ ከምዘይተሰማምዓ ተገሊጹ","content":"ኢትዮጵያ፡ግብጺን ሱዳንን ኣብ ልዕሊ ኣመላልኣ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ካይሮ ኣብ ዘሳለጥኦ ኣኼባ ነናይ ገዛእ ርእሰን ውጥን ሒዘን ንክመያየጣ ወሲነን። ኢትዮጵያ ብወገና ‘ንናይ ሓይሊ ጠለባ ንምምላእ ብመሰረት ዘለዋ ትልሚ ከምተተግበር ኣፍሊጣ’ላ።’ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተቛረጹ ዝጸንሓ ልዝብ ሰለስቲኣን ሃገራት ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ግብጺ ቀጺሉ’ሎ። ሚንስትር ሃብቲ ማይ ኢትዮጵያ ኣቶ ስለሺ በቀለ ንጋዜጠኛታት ብዛዕባ’ቲ ኣብ ካይሮ ዝተሳለጠ ኣኼባ ኣብ ዝህብዎ መግለጺ ‘ግብጺ ካብ’ቲ ንቡር ውጽእ ዝበለ ከምኡ’ውን ምስ’ቲ ኣብ ሱዳን ዝተኸሰተ ፖለቲካ ህውከት ኣብ ግምት ዘየእተወ ምክረ ሃሳብ ሒዛ ከምዝቐረበት ‘ ገሊጾም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%8C%BA%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%95%E1%8C%BD%E1%88%8D-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%88%8D%E1%8B%9D%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%88%9B%E1%88%9D%E1%8B%93-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5088931.html"} {"headline":"ኣምንስቲ ኣብ ኤርትራ ንዝተአሰሩ 28 መራሕቲ ፖለቲካን ጋዜጠኛታት ክፍትሑ ጸዊዑ","content":" መንግስቲ ኤርትራ ‘ቅድሚ 18 ዓመታት ዝኣሰሮምን ዝሰወሮም 11 መራሕቲ ፖለቲካዊን 17 ጋዜጠኛታትን ንክፈትሖም’ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ። ኣምነስቲ እቶም 11 መራሕቲ ፖለቲካ ዝተኣሰሩ ‘ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሃገራዊ ምርጫ ብምክያድ ንቅዋም ክኽብሩን ልዕልና ሕጊ ከረጋግጹን ንዝጽውዕ ጽሑፍ ብቃልዕ ድሕሪ ምውጸኦም’ዩ። እቶም 17 ጋዜጠኛታት ድማ ‘ንመግለጺ’ቶም ፖለቲካዊ መራሕቲ ኣቃሊሕኩም’ ተባሂሎምዩ’ ይብል ። ኩሎም እሱራት ካብ’ታ ዝተታሓዙላ ዕለት ኣትሒዙ ተሰዊሮም ኣለው: ክሳብ ሎሚ ድማ ናብ ፍርዲ ኣይቀረቡን። ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዳይረክተር ጨንፈር ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ኣዶተይ ኣክዌ ‘ነዛ ዕለት’ዚኣ መዓልቲ ሓዘን’ያ’ ኢሉ ይገልጻ። ኣዶተይ ኣክዌ ‘ሎሚ መዓልቲ፣ መንግስቲ ኤርትራ ን18 ዓመት ንዕስራ ፖለቲካዊ መራሕቲ ዝኣሰረላ መዓልቲ ዝኽሪ’ያ። እዞም እሱራት ዝራኣዮም ሰብ የለን። መብዛሕተኦም ምስ ጥዕነኦም እንተልዮም ብህይወት ኣለው እንተኾይኖም’ውን ዝፈልጥ ሰብ የለን’ ይብል። ንሱ ‘ኩነታት’ቲ ዞባ መሰረታዊ ለውጢ ኣርእዩ’ዩ ኢልና ኢና ንኣምን። ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኣታተወ ለውጢን ተሃድሶን፣ ስለምንታይ ኣብ ኤርትራ’ከ ዝተለወጠ ነገር ኣይተራእየን ዝብል ሕቶ ንክልዓል ሓጊዙ’ዩ’ ይብል። ብዛዕባ’ቶም እሱራት ምዝራብና ክንቅጽሎ ኣለና። ሎሚ ንከምበዓል ኣስቴር ፍስሃጽየን፣ ኣስቴር ዮሃንስን ጴጥሮስ ሰሎሞንን ካልኦትን ኢና ንዝክር ዘለና ዝበለ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ‘እዞም ሰባት’ዚኣቶም ተረሲዖም ከምዘይተርፉን መንግስቲ ኤርትራ ንረዘንቲ ሕቶታት ክምልስ ጸቕጢ ክሕይሎን ነቲ ማእሰርቲ ምኽንያት ንከቕርብን ምግባርን ከምዕላማ ከምዝተታሓዘ’ ገሊጹ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%A0%E1%88%B0%E1%88%A9-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB%E1%8A%95-%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%91-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%91\/5088873.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ምብራቅ ሃረርጌ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና 10 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ምብራቅ ሃረርጌ ወረዳ ጎሮጉቱ ብሓደጋ መኪና 10 ሰባት ሞይቶም ካልኦት ሓሙሽተ ከቢድን ፈኹስን መቁሰልቲ ከምዘጋጠሞም ፖሊስ’ቲ ዞባ ኣፍሊጡ’ሎ። እታ ናይ ህዝቢ መጉዓዝያ መኪና ካብ ጂጂጋ ናብ አዲስ አበባ ተምርሕ ከምዝነበረትን ግዳያት ድማ ኣብቲ ከባቢ ኣብ መርዓ ዝነበሩ ሰባት ምኻኖም ተገሊጹ’ሎ። መራሕ መኪና ሃዲሙ ከምዝተሰወረን ፖሊስ ንምሓዙ ይጽዕር ከምዘሎ ተሓቢሩ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%89%85-%E1%88%83%E1%88%A8%E1%88%AD%E1%8C%8C-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B-%E1%88%98%E1%8A%AA%E1%8A%93-10-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/5087517.html"} {"headline":"ጠቅላሊ ቤት ፍርዲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ክሲ በዓል ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ማሞ ተለዋጢ ቆጸራ ከምዝሃበ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ መዝገብ ክሲ በዓል ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ማሞ ሎሚ ዝረአየ ናይቲ ክልል ጠቅላሊ ቤት ፍርዲ ብተኸስስቲ ንዝቀረበ ይግባኝ ውሳነ ንምሃብ ን21 መስከረም 2012 ዓ.ም ተለዋጢ ቆጸራ ከምዝሃበ ተገሊጹ። ተወሳኺ ናይ ምርመራ ጊዜ ይወሃበና ንዝብል ዝቀረበ ሕቶ አድላይ ኣይኮነን ክብል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ባህርዳር ከባቢኣን ዝዓጸውዎ መዝገብ’ዩ ንጠቅላሊ ቤት ፍርዲ መጋባእያ ሰማዒ ይግባይ ሎሚ ቀሪቡ። ተከሰስቲ መርማሪ ጉጅለ ኣብ ዝተዋህቦ ጊዜ አድላይ ሓበሬታ አኪቡ ከቅርብ ብዘይምኽኣሉ ተወሳኺ ጊዜ ኣየድልን ከምዝተባህለ ይገልጹ። ይኹን ደአ እምበር እቲ መርማሪ ንሰማዒ ይግባይ ተወሳኺ ጊዜ ክወሃቡ ይግባይ ኢሉ ን21 መስከረን ቆጸራ ተዋሂቡ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%A0%E1%89%85%E1%88%8B%E1%88%8A-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%B2-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%8C%8B%E1%8B%B4%E1%88%AD-%E1%8C%80%E1%8A%90%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%AB-%E1%88%9B%E1%88%9E\/5087489.html"} {"headline":"ዑደት ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ከፋ ዞን","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ትሑት ልምዲ ንደቅና ኣይነውርስን ክብሉ ተዛሪቦም። እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ነዚ ዝበሉ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ከፋ ዞን ቦንጋ ስታድየም ምስ ህዝቢ ኣብ ዝተዘራረብሉ እዋን ኮይኑ መንግስቶም ኹሉ ተኸባቢሩ ዝነብረላ ዓባይ ሃገር ንምህናጽ ከምዝሰርሕ’ውን ተዛሪቦም ኣለው። No media source currently available ትማሊ ሰንበት ናብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ከፋ ዞን ዝበጽሑ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ህዝቢ ድሙቕ ኣቀባብላ ከምተገብረሎም ተገሊጹ። ካብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ዞባ ከፋ ዝመጹ ኣብቲ ስታድየም ንዝተአኸቡ ነበርቲ’ቲ ዞባ መደረ ዘስምዑ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ መንግስቲ ዓባይ ሃገር ንምህናጽ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%8D%8B-%E1%8B%9E%E1%8A%95-\/5085904.html"} {"headline":"ነበርቲ መቐለ ብዛዕባ ዝተጀመረ ሓድሽ ዓመትን ዘለዎም መደባትን ይዛረቡ","content":"ነበርቲ መቐለ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ንዝጀመረ ዓመተ 2012 ሓድሽ ትልሚ ብምድላው ምቕባሎም ይገልጹ። ገለ ካብ ዘዘራረብናዮም ነበርቲ መቐለ ዓመተ 2012 ብዘይኻ ስሩዕ ስራሕና ብውልቂ ንፍጽሞ ተወሳኺ መደብ ሓንጺጽና ኢና ተቐቢልናዮ ይብሉ። ብዛዕባ ሓድሽ ዓመትን ዝተሓንጸጹ መደባትን ዝምልከት ምስ ስለስተ ነበርቲ መቐለ ዝተኻየደ ዕላል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%89%A5%E1%8B%9B%E1%8B%95%E1%89%A3-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%80%E1%88%98%E1%88%A8-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8B%B0%E1%89%A3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%8B%9B%E1%88%A8%E1%89%A1\/5080961.html"} {"headline":"ኢዜማ ፈላማይ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ መቐለ አካይዱ","content":"ውድብ ማሕበራዊ ፍትሒ ንዜጋታት ኢትዮጵያ (ኢዜማ) ፕሮግራም እቲ ውድብ ንምልላይ ኣብ ከተማ መቐለ ትማሊ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ:: ኣብቲ መድረኽ ዝነበሩ ተሳተፍቲ ንዘልዓልዎ ሕቶታት ድማ ምላሽ ተዋሂብዎም:: ካብ ዝምስረት ሰለስተ ኣዋርሕ ዝገበረ ማሕበራዊ ፍትሒ ንዜጋታት ኢትዮጵያ (ኢዜማ) ኣብ ትግራይ ንፈለማ ግዜ’ዩ ህዝባዊ ኣኼባ ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ኣካይዱ:: ነቲ መድረኽ ዝኸፈቱ ምክትል መራሒ ኢዜማ ኣይተ ኣንዱዓለም ኣራጌ ውድቦም ኣብ ከተማ መቐለ ኣኼባ ንከካይድን ውፅኢታዊ ክኸውን ንዝገበሩ ህዝቢ’ታ ከተማን መንግስቲ ክልል ትግራይ ንዝገበረሎም ሓገዝ ምስጋና ኣቕሪቦም:: እቲ ኣኼባ ብሰላማዊ መንገዲ ክዛዘም ድማ ኣካላት ፀጥታ ንዝገበርዎ ድጋፍ ኣመስጊኖም:: ኣይተ ኣንዱኣለም \" ገለ ሰባት ንትግራይ ከይድካ ህዝባዊ ኣኼባ ምክያድ ዳርጋ ናብ ሰሜን ኮርያ ከይድካ ሰላማዊ ሰልፊ ምፅዋዕ ይቖጽርዎ\" ክብሉ ተዛሪቦም:: \"ትግራይ ንዓይ ዓደይ እዩ: ጭውነት ህዝቢ ሎሚ እውን ተዓቂቡ ረኺብናዮ\" ክብሉ ገሊፆም። ህዝቢ ትግራይ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ዘይቀረበሉ ህዝቢ እዩ ኢሎም ከምዝኣምኑ ድማ ሓቢሮም:: ኣብቲ መድረኽ ዝቐረቡ ርእይቶታት ነቔፌታ ዝበዝሖም ምንባሩ ዝገልፁ ኣይተ ኣንዱኣለም እዚ ድማ ከም ፈላማይ መድረኽ ትፅቢት ንገብሮ እዩ ኢሎም:: ኣብ ሸውዓተ ወረዳታት ትግራይ ኢዜማ ኣባላት ከምዝወደበን ብቐፃሊ ድማ አሓይሉ ክሰርሕ እዩ ኢሎም:: No media source currently available ፕሮግራም እቲ ውድብ ዘላለዩ ኣይተ ሃብታሙ ኪታባ ብወገኖም ኢዜማ ፌዴራላዊ ዘይተማእኸለ ስርዓት ምምሕዳር ክኽተል እዩ ኢሎም:: ሐዚ ዘሎ ሕገመንግስቲ ኣብ መሰል ውልቀሰባት ጠመተ ብዝገበረ መልክዑ ክመሓየሽ ውድቦም ድልየት ከምዘለዎ ተዛሪቦም:: ኣብ ቁጠባዊ ጉዳይ ድማ ነፃ ዕዳጋ ክህልው ኢዜማ ክቃለስ እዩ ኢሎም:: ኣብቲ ህዝባዊ መድረኽ ብርክት ዝበሉ ሕቶታትን ርእይቶትን ዝቐረቡ ክኾኑ ከለው ኣብቲ መድረኽ ብተደጋጋሚ ካብ ዝተልዓሉ ጉዳያት ኣብ መሪሕነት ኢዜማ ዘለዉ ውልቀሰባት ቴሌቪዥን ኢሳት ብምጥቃም ንህዝቢ ትግራይ \"95 ሚልዮን ን5 ሚልዮን እዩ’ቲ ቃልሲ ብዝብል ምፅናት ዓሌት ዝኣወጁ እዮም\" ንምንታይ ይቕሬታ ከይሓተትኩም ንመቐለ መፂእኹም ዝብል ነይሩ:: ኣይተ ኣንዱኣለም ኣብዚ ጉዳይ ምላሽ እንትህቡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝኾነ ገበን ዝፈፀመ ማዕኸን ዜና ብሕግን ስርዓትን ክሕተት ይግባእ ኢሎም:: ኢዜማ ኣብ 2012 ዓ\/ም ምርጫ ንክካየድ ድልየት ኣለኹም’ ዶ? ቅዋሙ’ኸ እንታይ እዩ ንዝብል ዝተላዕለ ሕቶ ኣቦመንበር ኢዜማ ኣይተ የሺዋስ ኣበራ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዝመረፆ ክመሓደር ኣለዎ ኢልና ንኣምን ኮይኑ ግና ምርጫ ንምክያድ ትካላት ምድላዋት ክገብሩ ይግባእ ኢሎም:: ውድቦም ድማ ኩሉ ግዜ ንምርጫ ድልው ምዃኑን: ነፃን ፍትሓውን ኮይኑ ዝፍፀመሉ መንገዲ ኣብ ዘለወሉ እዋን እቲ ምርጫ ምክያድ ይግባእ ክብሉ ተዛሪቦም:: \"ስለዚ ድማ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘለዉ ድኹማት ትካላት ብምሕያል ኣብ ግዜኡ’ዶ የርክብ ዝብል ስግኣት ኣለና ኢና ዝበልና\" ኢሎም ኣይተ የሺዋስ:: ካልእ ኣብቲ መድረኽ ካብ ዝተልዓሉ \"ኢዜማ ናይ ዶክተር አብዪ ኣሕመድ እዩ ይባሃል\" ዝብል ሕቶ ነይሩ:: ኣይተ ኣንዱኣለም እንትምልሱ ኢዜማ ናይ ዶ\/ር ኣብዪ እዩ ዝብል ተቐባልነት ዘይብሉ ወረ እዩ:: እዚ ውድብ ንምምስራት ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተለና ገና ዶ\/ር ኣብዪ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምፅኦም ኢና ሓሲብናዮ\" ኢሎም። ኣይተ ኣንዱኣለም ብዛዕባ ኣብቲ መድረኽ ዝተልዓሉ ሕቶታት እንትዛረቡ \"ልክዕ ልክዕና ብግልፂ ነገርኩምና: ኣይሓደግኩምልናን እዚ ድማ ዝግባእ ኢዩ ኢሎም:: ሃገር ዝህነፅ ብዘተን ብህዱእ መንፈስ ዝካየድ ክትዕን ብምዃኑ: ብዝሰልጠነ መንገዲ ክንጓዓዝ ይግባእ” ክብሉ ተዛሪቦም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%8B%9C%E1%88%9B-%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%8A%A3%E1%8A%BC%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/5085716.html"} {"headline":"ኤርትራን ሱዳንን ሽዱሽተ ነጥብታት ዝሓዘ ሓባራዊ ስምምዕ ተፈራሪሞም","content":"ኣብ መዛዘሚ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሱዳን ክልቲኦም ወገናት ሽዱሽተ ነጥብታት ዝሓዘ ሓባራዊ መግለጺ ሂቦም። እቲ መግለጺ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ንዝህልው ኣብ ወታሃደራዊ፡ቁጠባ፡ጸጥታ፡ ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ባህላዊን ከምኡ’ውን ዞባዊ ጉዳያት ዝምድናን ምትሕግጋዝን ይሕብር። ብተወሳኺ ነዚ ስምምዕ ኣብ ምትግባሩ ዝነጥፍ ካብ ክልቲኣን ወገናት ዝተዋጽኣ ሓባራዊ ሽማግለ ምቛሙ ተገሊጹ’ሎ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ካርቱምን ከባቢኡን ንዝርከቡ ኤርትራዊያን ከምዝተዘራረበ’ውን ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ናይ ትዊተር ገጾም ሓቢሮም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ናይ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ካብ ሱዳን ዑደቶም ምምላሶም ናብ ኢትዮጵያ ከይዶም ክብሉ ምንጭታት ጠቂሱ ናይ ኣስመራ ሪፖርተር ዘቕረቦ ሪፖርት ትማሊ ምጽብጻብና ይዝከር።ብዛዕባ’ቲ ዑደት ካብ ወገን ኢትዮጵያ ዝተዋህበ መግለጺ ከምዘይነበረ’ውን ሓቢርና ኔርና። እንተኽዕነ ሪፖርተርና ካብ ኣስመራ ብዘካየዶ ምጽራይ ፕረዚደንት ኢሳያስ ናብ ኢትዮጵያ ከምዘይከዱ አረጋጊጹ’ሎ። ንዝቐረበ ጸብጻብ ይቅሬታ ንሓትት።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%88%BD%E1%8B%B1%E1%88%BD%E1%89%B0-%E1%8A%90%E1%8C%A5%E1%89%A5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%8B%98-%E1%88%93%E1%89%A3%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%88%9E%E1%88%9D\/5085315.html"} {"headline":"ርእይቶ ነበርቲ መቐለ ብምክንያት ሓድሽ ዓመት","content":"ኣብ ዓመተ 2011 ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብረ ከይዲ ፖለቲካን ብተወሳኺ ድማ ኣብ ሓዱሽ ዓመት ቀፃሊ ዕድል’ታ ሃገር ዘለዎም ተስፋን ምርጫ 2012 ጠሚቱን ንገለ ነበርቲ ከተማ መቐለ ርእይቶ ሓቲትና ኣለና:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5\/5083027.html"} {"headline":"መግለጺ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ መጥቓዕቲ ጋምቤላ","content":"ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ክልል ጋምቤል ዝተፈፀመን ክልተ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ዝተቐትልሉን መጥቓዕቲ ዝኾነነ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መንግስቲ ከምዚ ንዝበሉ ሰራሕተኛታት ሃለዋ ክገብረሎም ሓተቱ። ሰበ ስልጣናት እታ ሃገር ነቶም ነዚ ዝፈፀሙ ሒዞም ናብ ፍርዲ ከቕርቦም እውን ሓዱሽ ናይቲ ኤምባሲ ወሃቢ ቃል ጆን ኣይስ ሓቲቶም።መንግስቲ እቲ ክልል ብወግኑ ን ኣርባዕተ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታው ሓቢሩ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%A4%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8C%8B%E1%88%9D%E1%89%A4%E1%88%8B\/5082946.html"} {"headline":"ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ\/ሃ ኣብ ማእኸላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃ ኣንቢርዎ ዝነበረ እገዳ ኣልዒልዎ","content":"ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ፀጥታ መንግስቲ ማእኸላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃ ምስ 14 ዕጡቓት ጉጅለታት ናይ ሰላም ስምምዕ ድሕሪ ምፍራሙ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ኣንቢሩዎ ዝነበረ እገዳ ኣፅዋር ክልዓል ትማሊ ሓሙስ ብምሉእ ድምፂ ወሲኑ። ብፈረንሳይ ዝረቐቐ ውሳነ መንግስቲ ማእኸላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃ ንዘቕረቦ ፃውዒት መልሲ እዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8D%80%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%B8%E1%88%8B%E1%8B%AD-%E1%88%AA%E1%8D%93%E1%89%A5%E1%88%8A%E1%8A%AD-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%89%A2%E1%88%AD%E1%8B%8E-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%8A%A5%E1%8C%88%E1%8B%B3-%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%8B%92%E1%88%8D%E1%8B%8E\/5082559.html"} {"headline":"መግለጺ ሓድሽ ዓመት ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድዝሓሸ እምበር ዝኸፍአ ዘመን ተመሊሱ ንኸይመፅእ ሓቀኛ ምስግጋር ንደቅና ከነረጋግፀሎም ይግባእ ኢሎም ። ሎሚ ዝተጀመረ ሓዱሽ ዓመት ናይ ኣፈፃፅማ ዓመት እዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ንሃገርና ናብ ዝሓሸ ዕድል ነሰጋግረሉ ወሳኒ ዓመት እዩ ኢሎም።በቲ ዝተለምናዮ መሰረት እነካይዶ ምርጫ ድማ ናይ ሃገርና ናይ ዲሞክራሲ ታሪኽ ናብ ዘይወርደሉ ብራኸ ዘብፅሐ ክኸውን እዩ ኢሎም። ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2012 ንምሉእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘካየድዎ መደረ ዝአረገ ዓመት ብምድህሳስ ንሓድሽ ዓመት ዝ አንፈቱ ቀ\/ሚ ዝሓለፈት ዓመት 2011 ኢትዮጵያ ዝተዋህለለ ሽግራት ዝጠመትሉ ዓመት’ዩ ይብል። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5\/5081414.html"} {"headline":"መቐለ፡ መሐብሐቢ ግዳይ ፆታዊ መጥቓዕቲ እፎይታ ስራሕ ጀሚሩ","content":"መተሓባበሪት ማእከል መሐብሐኒ ግዳያት ፆታዊ መጥቓዕቲ እፎይታ ወይዘሮ ሰላማዊት ቅጣው ኣብዚ ማእከል መሐብሐቢ ኣዝየን ነአሽቱ ትሕቲ ዕድመ ዝኾና ህፃናት ከምዝርከባ ሓቢረን። ዕላማ እዚ ማእከል ብፆታዊ መጥቓዕቲ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጉዳኣት ንዝበጽሐን ደቂ ኣንስትዮ ኩለ መዳይ ደገፍ ጌርካን ሓብሒብካን ናብ ንቡር ተመሊሰን አፍረይቲ ዜጋ ክኾና ምግባር ኢዩ ክብላ ወሲከን ሓቢረን። ምስተን መተሓባበሪትን መሓብሓቢ ግዳይ ጾታዊ መጥቓዕቲን ምስተን ግዳያትን ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%90%E1%89%A5%E1%88%90%E1%89%A2-%E1%8C%8D%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8D%86%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8A%A5%E1%8D%8E%E1%8B%AD%E1%89%B3-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9\/5081360.html"} {"headline":"ግዳያት መጥቓዕቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ይዛረቡ","content":"ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ህፃናት ዝርከቡዎም ኣስታት 200 ግዳያት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ወጻኢ ሃገር ዝተኻየደ መጥቓዕቲ ኣብ ምብራቕ ጆሃንስብርግ ኣብ ዝርከብ ናይ ማሕበረሰብ ኣዳራሽ ተዓቒቦም ምህላዎም ተገሊጹ። ማንዴላ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ዘይስሩዕ መዕቖቢ ይነብሩ ዝነበሩ ብዝተቖጥዑ ሰባት ዝተባረሩ ሰባት ኣብ ዝተዓቕቡሉ ኣዳራሽ ህፃናት ይፃወቱ፣ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ዘጋጠመን ዘሕዝን ፋፃመ የዋግዓ፣ደቂ ተባዕቲዮ ፀጥ ኢሎም ወይ ደቂሶም ይርኣዩ። 38 ዓመት ዝዕድሚኡ ኣቦ ሰለስተ ቆልዑ ዚምባቢያዊ ፊብዮን ማይምብድዛ እቲ ዘጋጠመ ክኣምን ኣይከኣለን።ህይወቱ ኣብ ሰናይ ድልየት ካልኦት ሰባት ዝተመስረተ ተስፋ ዝስኣነ ሰብ ምዃኑ ይዛረብ። “መፂኦም ፈጥረቲ ሽግር ወፃእተኛታት ትድለዩ ኣለኹም ኢሎምና።እንታይ በዲልና እንተበልናዮም ኣንስትናን ስራሕናን ካብ ምምንጣል ካልእ የብልኩምን ይብሉና።” ጓል 50 ዓመት ዚምባቢያዊ ፖሊተ ሞዮ ንሳን ካልኦት ወፃእተኛታትን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰዓታት እንተ ዘይወፂኦም ህይወቶም ከምዝስእኑ ነበርቲ እቲ ከባቢ መጠንቀቕታ ከምዝሃቡዎምን ኩሉ ንብረተን ገዲፈን ከምዝሃደማ ይዛረባ። በዓል ሓዳርን ኣቦ ወዲ ሽዱሽተ ወርሒ ህፃንን ማላዊ ከኒያስ ባንዳ እውን ፍርቂ ለይቲ ወዱ ተሸኪሙ ሃዲሙ ህይወቱን ህይወት ህጻን ወዱን ከምዘትረፈ ይዛረብ። ካልኦት ግን ናይ ምምላጥ ዕድል’ውን ኣይረኸቡን።ኣይዛክ ሲቶል ዝተባህለ ዚምባቤያዊ ክሃድም ፈቲኑ ከቢቦም ምስ ሓዙዎ ቀጥቂጦም ብሓዊ ኣቃፂሎም ቀቲሎምዎ።በቲ ህውከት ካብ ዝተቐትሉ 12 ግዳያት ሓደ እዩ። ኒኮላስ ተባሂሉ ክፅዋዕ ዝሓተተ ናይጀሪያዊ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ መጀመሪያ ካብ ዝወፁ ሓደ እዩ።ህይወተይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ዝስእና ኣብ ዓደይ ከይደ ምሟት እመርፅ ይብል።መኪናታቱ፣ሽቑን ካልኦት ንብረቱን ብምሉኡ ከምዝስኣነ ገሊፁ። መንግስቲ ነቲ መጥቓዕቲ ብምኹናን ደው ከብሎ እየ ኢሉ’ሎ።ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣብቲ መጥቓዕቲ ዝተሳተፉ’ውን ተኣሲሮም ኣለው።መብዛሕቲኦም ዜጋታት ወጻኢ ሃገራት ግን ኣዚዩ ዝንኣሰን ዝደንጎየን ስጉምቲ እዩ ይብሉዎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8B%AD%E1%8B%9B%E1%88%A8%E1%89%A1\/5080956.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ሱዳን ዓብደላ ሃምዶክ ንናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ሎሚ ሓሙስ ደቡብ ሱዳን ኣትዮም","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ሱዳን ዓብደላ ሃምዶክ ንናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ሎሚ ሓሙስ ደቡብ ሱዳን ኣትዮም። ምብጻሕ ቀዳማይ ሚንስትር ሃምዶክ ኣብ መንጎ ተቓወምቲን መንግስትን ንዝካየድ ልዝብ ዘተ ሓድሽ መደብ ንምንጻፍ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ። ኣቐዲሞም ኣብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዲፕሎማት ክሰርሑ ዝጸንሑ ቀዳማይ ሚንስትር ሱዳን ዓብደላ ሃምዶክ ኣብ መንጎ ወታሃደራዊ መሪሕነትን ሲቪል ፓርቲታት ሱዳን ብዝተበጽሓ ስምምዕ ቕድሚ ሰለስተ ሰሙን ናብ መዝነት ዝመጹ ምኳኖም ይዝከር። ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ቤት ምክሪ ሉኡላዊነት፡ ሱዳን ካብቲ ንዓመታት ተዘፊቓትሉ ዝጸንሓት ግጭት ምስ ተቓወምቲ ለውጢ ንምትእታትው ዓሊሙ ንከም ቀ\/ሚ ሃምዶክ ዝአመሰሉ ሰባት ናብ መሪሕነት ምምጽኡ ይገልጽ። ተወከልቲ ቤት ምኽሪ ሉአላዊነት ሱዳን ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዋና ከተማ ደቡብ ሱዳን ጁባ ምስ ተቓወምቲ ብምርኻብ ንልዝብ ሰላም ዘድልይ መደብ ብምሕንጻጽ ስምምዕ ተፈራሪሞም ኣለው። ቀ\/ሚ ሃምዶክ ብወገኖም እዚ ናይ ደቡብ ሱዳን ዑደት ኣብ ጉዳይ ንግዲ፡ ናይ ዶብ ግጭታትን ምንቅስቃስ ሰባትን ካብን ናብን ክልቲኣን ሃገራት ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ምስ ሰበ ስልጣን ደቡብ ሱዳን ንምዝታይ ከምዘክኣሎም ንጋዜጠኛታት ሓቢሮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AD-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8B%93%E1%89%A5%E1%8B%B0%E1%88%8B-%E1%88%83%E1%88%9D%E1%8B%B6%E1%8A%AD-%E1%8A%95%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%88%93%E1%88%99%E1%88%B5-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%88%9D\/5080892.html"} {"headline":"‘ካቢ’ ንኤርትራዊያን ስደተኛታት ብነጻ ስልጠና ዝህብ ትካል","content":"‘ካቢ’ ዝተባህለ ንትርፊ ዘይሰርሕ ትካል ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ነጻ ናይ ትምህርቲ ዕድል ይህብ። እዚ ትካል ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ብዝርከቡ ኤርትራዊያን ዝመሓደርን ዝምወልን ኮይኑ ንዝሓለፈ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ብሽዱሽተ ዓውድታት ስልጠና ኣብ ከተማ ካርቱም ሱዳን ንዝርከቡ ስደተኛታት ይህብ ኣሎ። ካብ ቀንዲ መስረቲ’ቲ ትካል ዝኾነ ኣልኣዛር ሓሸሊት፡ ነቲ ኣብ ሰለስተ ቦታታት ኣብ ከተማ ካርቱም ዝወሃብ ስልጠና ዘተሓባበር ዮናስ ኢዮብ ከምኡ’ውን ንክልተ ካብ ተምሃሮ ኣዘራሪብና ኣለና። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A2-%E1%8A%95%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8A%90%E1%8C%BB-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A0%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%88%85%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D\/5079846.html"} {"headline":"'ኣብ መንጎ ገዛእቲ ፓርትታት ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ዘሎ ዘይምርድዳእ ብሰላማዊን ብልዝብን ንምፍታሕ ዝጸንሐ መርገጺና ዝቕየር ኣይኮነን' ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ","content":"ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ፡ ኣብ መንጎ ገዛእቲ ፓርትታት ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ዘሎ ዘይምርድዳእ ብሰላማዊን ብልዝብን ንምፍታሕ ዝጸንሐ መርገጺና ዝቕየር ኣይኮነን ኢሉ። ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ገዛኢ ፓርቲ ኣምሓራ ተመሳሳሊ መርገጺ የለን ዝብል ሓበሬታ ብሓደ ሓደ ኣኽረርቲ ጽንፈኛ ብሄርተኛታት ደይ መደይ ተባሂሉ ዝናፈስ በለካ ለኽዓካ `ዩ ክብል ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ ተዛሪቡ። ኣቶ ተመስገን ብምኽንያት ሓዲሽ ዓመት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ ገዛእቲ ፓርትታት ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ዘሎ ዘይምርድዳእ ብሰላዊን ብልዝብን ንምፍታሕ ዝነበረን ዘሎን መርገጺና ዝቕየር ኣይኮነን ኢሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8E-%E1%8C%88%E1%8B%9B%E1%8A%A5%E1%89%B2-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8B%B5%E1%8B%B3%E1%8A%A5-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8A%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%88%95-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%90-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%8C%88%E1%8C%BA%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%95%E1%8B%A8%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8A%AE%E1%8A%90%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%88%89\/5079731.html"} {"headline":"ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንዝተወሰኑ ኣባላት ዳዕሽ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ከምዘእተወን ኣፍሊጡ","content":"ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንዝተወሰኑ ኣባላት ዳዕሽ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ከምዘእተወን ዘይተትሓዙ እውን ከምዘለውን ኣፍሊጡ። ምኽትል ኤታማዦር ሹምን ሓላፊ ወፍሪ ስርሒታትን ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ምስ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ኣብ ዝካየድዎ ቃለ መጠይቕ ዳዕሽ\/ኣይ ኤስ\/ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ንምንቅስቓስ ተደጋጋሚ ፈተነ ገይሩ ከምዝፈሸሎ ብምግላፅ ግን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝመልመሎም፣ስልጠና ዝወሰዱን ዝተጠምቁን ከምዘለው መንግስቲ ፈሊጡዎ’ሎ፤ዝለዓለ ክትትል ድማ ይግበር ኣሎ ኢሎም። ጀነራል ብርሃኑ ወሲኾም ሰራዊት ምክልኻል ነታ ሃገር ንምሕላው ንዝተወሃቦ ከቢድ ሓላፍነት ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም። ዳዕሽ ኣብ ኢትዮጵያ ይረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ምቹእ ኩነታት ከምዝፈጠረሉ ኣብ ኬንያ ናይ ዝመደብሩ ሳሃን ኢንስቲቱዩት ምርምር ዳይሬክተር ማት ብራይደን ቅድም ክብል ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም ነይሮም።ብዛዕባ እዚ ካብ ቤት ፅሕፈት ኤታማዦር ሹም መብርሂ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%91-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8B%B3%E1%8B%95%E1%88%BD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%89%90%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8A%A5%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%89%B5%E1%88%93%E1%8B%99-%E1%8A%A5%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5079605.html"} {"headline":"ብምኽንያት በዓል ቅዱስ ዮውሃንስ፣ ኣብ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ኣብ ታሪኻዊ ኣዳራሽ \"ሓፋሽ ዛግር\" ባህላዊ ምርኢት ቀሪቡ","content":"ብምኽንያት በዓል ቅዱስ ዮውሃንስ፣ `ዝናር ስነጥበባት ዞባ ማእከል` ምስ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ብምትሕብባር ፡ ኣብ ዛግር ታሪኻዊ ኣዳራሽ \"ሓፋሽ ዛግር\" ባህላዊ ምርኢት ኣቕሪባ። እቲ ባህላዊ ምርኢት ንበዓል ቅዱስ ዮውሃንስ ዘንጸባርቕ ኮይኑ ኣብ ዛግር ዝተገብረሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ንረቂቕ ባህላዊ ውርሻታት ብምብርባር ታሪኻዊን ጥንታውን ቦታታት ንምዕቃብ ከምዝኾነ ኣብ ኤርትራ ሓላፊ ስፖርትን ባህልን ዞባ ማእከል ኣቶ እንድርያስ ኣስመረኦም ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%89%85%E1%8B%B1%E1%88%B5-%E1%8B%AE%E1%8B%8D%E1%88%83%E1%8A%95%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%8A%A1%E1%88%B5-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%88%B0%E1%88%A8%E1%8C%80%E1%89%93-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B3%E1%88%AA%E1%8A%BB%E1%8B%8A-%E1%8A%A3%E1%8B%B3%E1%88%AB%E1%88%BD-%E1%88%93%E1%8D%8B%E1%88%BD-%E1%8B%9B%E1%8C%8D%E1%88%AD-%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%A2%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%88%AA%E1%89%A1\/5079353.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ መቐለ፡ ብምኽንያት ሓዲሽ ዓመት ኣብ ዕዳጋ ጠለ-በጊዕን ከብትን ዝወዓለ ዋጋ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ፡ ከተማ መቐለ፡ ኣብ ዕዳጋ ጠለ-በጊዕን ከብትን ዝወዓለ ዋጋ፡ ገሊኦም ካብ`ቲ ዝሓለፈ በዓል ዝሓሸ`ዩ ክብሉ ከለዉ፡ ካልኦት ድማ ዝያዳ ከቢሩ ይብሉ። ብምኽንያት ኣውደኣመት ዝወዓለ ዕዳጋ፡ ልዕልን ለጠቕን ዝበለ`ዩ ይብሉ ሸማቶን ሸየጥትን። ኣለም ፍሰሃ ናብ`ቲ ዕዳጋ ከይዱ ዘዳለዎ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8B%B2%E1%88%BD-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%95%E1%8B%B3%E1%8C%8B-%E1%8C%A0%E1%88%88-%E1%89%A0%E1%8C%8A%E1%8B%95%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%89%A5%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%8B%93%E1%88%88-%E1%8B%8B%E1%8C%8B\/5079349.html"} {"headline":"ኤርትራ ኣብ ዓለም ብምመያ መራኸቢ ብዙሃን ቀዳመይቲ ደረጃ ተሰሪዓ","content":"ኤርትራ ኣብ ዓለም ብምመያ መራኸቢ ብዙሃን ቀዳመይቲ ደረጃ ትሕዝ ክብል ተሓላቂ ደሕንነት ጋዜጠኛታት(CPJ) ኣፍሊጡ። እቲ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ዝመደበሩ ትካል ተሓላቒ ደሕንነት ጋዜጠኛታት፡ ኤርትራ ኣብተን 10 ኣብ ዓለም ኣዝየን ምመያ ዝገብራ ሃገራት ቀዳመይቲ ከምትስራዕ ሓቢሩ’ሎ። ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ኣብ ዓበይቲን ነአሽቱን ከተማታት ኤርትራ ዝነብር 91 ሚእታዊት ቤት ልዕሊ 650 ቻነላት ቲቪ ብሳተላይት ስለ ዝርእይ አማራጺ ምንጪ ሓበሬታ ኣሎ ኢሎም። CPJ ግን ኣብ ኤርትራ ጽንኩር ቀይድታት ሓበሬታ ከምዘሎን ካብታ ሃገር ነጻ ኾይኑ ዝጽብጽብ መራኸቢ ብዙሃን ከምዘየለን ንሳተላይትን ዓምዲ ኢንተርነት’ውን ዓፈና ከምዘሎ ንፈልጥ ኢሉ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%88%98%E1%8B%AB-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%8A%B8%E1%89%A2-%E1%89%A5%E1%8B%99%E1%88%83%E1%8A%95-%E1%89%80%E1%8B%B3%E1%88%98%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%8B%B0%E1%88%A8%E1%8C%83-%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%88%AA%E1%8B%93\/5078150.html"} {"headline":"ክልል ትግራይ: በዓል ዓሹራ ኣብ መስጊድ ኣልነጃሺ ብድምቀት ተኸቢሩ","content":"መበል 1441 በዓል ዓሹራ ኣብ መስጊድ ኣልነጃሺ ብድምቀት ትማሊ ተኸቢሩ:: ኣብቲ በዓል ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ: ኤርትራ: ጂቡቲን ሱዳንን ዝመፁ ተኸተልትንን ኣመራርሓን መራሕቲ ሃይማኖት እስልምና ተሳተፍቲ ኮይኖም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%88%B9%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%8C%8A%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%8A%90%E1%8C%83%E1%88%BA-%E1%89%A5%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%89%80%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%89%A2%E1%88%A9\/5078127.html"} {"headline":"ማሕበር ኤርትራውያን ተመለስቲ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ሃገሮም ኣብ ምልላይን ዝተፈላለዩ ሓገዛትን ኣብ ምብርካትን ከምዝሰርሕ ተገሊጹ","content":"ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ተመለስቲ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ምስ ባህልን መነባብሮን ሃገሮም ኣብ ምልላይን ኣብ ዝተፈላላዩ ናይ ግብረ ሰናይ ንጥፈታትን እጃሞም ከበርክቱ ከምዝሰርሑ ኣባል ቦርድ ህዝባዊ ርክባት ናይቲ ማሕበር ኣቶ ብርሃነ ተወልደ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ። እቲ ማሕበር 613 ቀወምቲ ንጡፋትን ከምኡ’ውን ካልኦት ተመላለስትን ኣባላት ከምዘለዎ፡ ኣባላቱን ግዱሳትን ዓመታዊ ብዝገብርዎ ወፈያታትን ከምዝመሓደርን ምስ ሚንስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ብምትሕብባር ንጽጉማት ተማሃሮ፡ንዓይነ ስውራንን ጽሙማንን ዝተፈላለየ ናይ ናውቲ ሓገዛትን ከምዘበርክት ኣቶ ብርሃነ ተዛሪቡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0r-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%8A%93%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9B%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%8A%AB%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5078113.html"} {"headline":"`ኣግኣዝያን` ንኤርትራ መንገዲ ሃገራዊ መንነት ድዩ ወይስ ክውንነት ዘይብሉ ፋንታዝያ? ንክትዕ ቀሪቡ`ሎ (2ይ ክፋል)","content":"`ማሕበር ኣሕዋት ኣግኣዝያን` ዝብል ምንቅስቓስ፡ ኣመሰራርትኡን ዕላምኡን እንታይ`ዩ? መስረቱ`ኸ መን`ዮም፡ ንምዃኑ`ኸ ኣብ ክውንነት ዝተመስረተ ድዩ -ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ካልኣይ ክፋል ዘተ ምስ ዝተፈላለየ ርእይቶ ዘለዎም ሰባት ዝጀመርናዮ መደብ ክቕጽል`ዩ። ካብ መስረቲ ኣግኣዝያን ሓደ ኣቶ ተስፋጽየን በርሀ፡ እቲ ማሕበር ናብ ህንጸት ሃገራዊ መንነት ኤርትራ ዝወስድ ምንቅስቓስ`ዩ ክብል ከሎ፡ ምስኡ ዘይሰማምዑ ኣቶ ሃይለሚካኤል ሃይለስላሰ(ሊንጎን) ኣቶ ሑሴን ሉባክን ድማ ፡ ሃገራዊ መንነት ኤርትራ ንምፍራስ ዓሊሙ ፡ ግን ካብ ምጅምሩ ዝፈሸለ ፋንታዝያ እዩ ይብሉዎ። ካልኣይ ክፋል ዘተ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%8C%8D%E1%8A%A3%E1%8B%9D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8B%B5%E1%8B%A9-%E1%8B%88%E1%8B%AD%E1%88%B5-%E1%8A%AD%E1%8B%8D%E1%8A%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8D%8B%E1%8A%95%E1%89%B3%E1%8B%9D%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%8B%95-%E1%89%80%E1%88%AA%E1%89%A1-%E1%88%8E-(2%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%8D%8B%E1%88%8D)\/5078084.html"} {"headline":"'ኣብ ክልል ኦሮምያ ካብ ኣካላት ፀጥታ መንግስቲ ወፃኢ ካልእ ዕጡቕ ኣይህሉን' ም\/ፕረዚደንት'ቲ ክልል","content":"ምኽትል ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብ ቀረባ መዓልታት ዝጅምር ሓድሽ ዓመት 2012 ፀገማት ሕብረተሰብ ንምፍታሕ ብዝበለፀ ምውዳድ ከምዝስራሕ ገሊፆም።ናይቲ ክልል ሰላም ንምርግጋፅ ኣብ 2012 ካብ ኣካላት ፀጥታ መንግስቲ ወፃኢ ካልእ ዕጡቕ ኣይህሉን ኢሎም። ኣባል ኣመራርሓ ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኣቶ ሙላቱ ገመቹ ግን እቲ መግለፂ ልሙድን መፍትሒ ዘየቐመጠን እዩ ክብሉ ርእይትኦም ሂቦም ኣለው። ምኽትል ፕረዚደንት ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2011 ዓ\/ም ዝተሰርሑን ኣብ 2012 ዓ\/ም ብዛዕባ ዝስርሑን ስርሓት ዝምልከት መግለጺ ንመራኸቢ ብዙሃን’ታ ሃገር ሂቦም። ነበርቲ ናይቲ ክልል ምስ ጎረባብቲ ክልላት ብሰላምን ብምትሕብባርን ንኽነብሩ ምስ ካልኦት ክልላት ሰፊሕ ስራሕ ተሰሪሑ ኣሎ ኢሎም።ኣብ 2011 ዓ\/ም ካብ ዝተሰርሑ ክጠቕሱ ከለው “ፖለቲካዊ ባይታ ንምስፋሕን ኩሎም ፖለቲካዊ ፓርትታት ብዘይደረት ኣብ ክልል ክንቀሳቐሱ፣መሰሎም ንክኽበር፣ንኽሳተፉ ምግባር ተሰሪሑ እዩ።ካብ ወፃኢ ዝኣተው ፖለቲካዊ ፓርትታት እውን ሓድሽ ፖለቲካዊ ባህሊ ክጅምሩ ዘክእሎም ሰፋሕቲ ስርሓት ተሰሪሖም እዮም።” ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝለዓለ ፈተና ኣብ ዝነበረ ፀጥታን ሰናይ ምሕደራን ከምዝተሰርሑ ብምሕባር ኣብ 2012 ካብ ናይ መንግስቲ ሓይሊ ጸጥታ ወፃኢ ዝኾነ ይኹን ዕጡቕ ሓይሊ ኣብቲ ክልል ኣይንቀሳቐስን ኢሎም። ብኣቶ ዳውድ ኢብሳ ዝምራሕ ናይ ኦነግ ጉጅለ ብናይቲ ክልል መንግስቲ፣ብኣባ ገዳ፣ብሽማግለታት ዓድን ፍሉጣት ሰባትን ሰፊሕ ፃዕሪ ተገይሩ ብዙሕ ሰብ ናብ ዝመረፆ ሰላማዊ ናብራ ንኽምለስ ዝለዓለ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ኣቶ ሽመልስ ገሊፆም።ካብዚ ወፃኢ ግን ኢሎም ንሶም “ካብዚ ወፃኢ ብዛዕባ ዘቕበፀ ሓይሊ ምስኒ ኣቶ ዳውድ ዝለዓለ ዝርርብ ኣካይድና ንሳቶም እዚ ተዓጢቑ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ጉጅለ ንሕና እንመርሖ ኣይኮነን፤ጉጅለ ሽፋቱ እዩ ኢሎም መርገፂ ወሲዶም ምስ ወሰኑ ምስ ፌደራላዊ መንግስቲ ተዋዲድና ኣብ ምዕራብን ደቡብ ኦሮሚያ ሕጊ ናይ ምኽባር ሰፊሕ ስራሕ ተሰሪሑ እዩ”ኢሎም። ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ ወሲኾም ንዜጋታት ተጠቀምቲ ኣብ ዝገብር ስርሓት ልምዓት ናይቲ ክልል መንግስቲ ሰፊሕ ስራሕ ከምዝሰርሐን ዝተጀመሩ ቁጠባዊ ምምሕያሻት ብምቕፃል ብዝሒ ሸቕሊ ኣልቦ ንምንካይ ኣብ ዝቕፅል 2012 ብትኹረት ክስራሕ እዩ ኢሎም ። ብዛዕባ እቲ መግለፂ ርእይቶኦም ክህቡ ዝተሓተቱ ምኽትል ኣቦ መንበር ናይ ኦሮሞ ፌደራላዊ ኮንግረስ ኣቶ ሙላቱ ገመቹ እቲ መግለፂ ቅድሚ ሎሚ ኢህወዴግ የውፅኦም ካብዝነበሩ ልሙዳት መግለፅታት ዝተፈለየ ኣይኮነን ኢሎም። “ኢህወዴግ ዝዛረቦን ዝሰርሖን ዝተፈላልየ እዩ።ንኣብነት ብዛዕባ ሰላም ይዛረብ። ህዝቢ ሰላም ከይረክብ፣ፀገም ንኽፍጠር፣ፈቐዱኡ ናይ ዜጋታት መሰል ኣብ ዘይተኸበረሉ እዞም ኩሎም ኣብ ዘይተርኣየሉን ዴሞክራሲ ኣብ ዘይሰፈነሉን ኩነታት ይህቡዎ ዘለው መግለፂ፣ቅድሚ ሎሚ እውን ንፈልጦም ስለዝኾነ ካብ ዝነበረና ተመኩሮ ተበጊስና ዝተፈለየ እዩ ኢልና ኣይንኣምንን።” ኣቶ ሙላቱ ወሲኾም ፌደራሊዝም ብግብሪ ዘይርኣና ህዝብታት ስለዝኾንና ፀገምና ዝፍታሕ ተቐራሪብና ኮፍ ኢልና እንተተዘራሪብና ጥራሕ እዩ እዩ ኢሎም ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8D%80%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8B%88%E1%8D%83%E1%8A%A2-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A5-%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%95-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%88%85%E1%88%89%E1%8A%95-%E1%88%9D-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-\/5076374.html"} {"headline":"ፕረ.ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ተራኺበን: ተዘራሪበን","content":"ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መበል 28 ጉባኤ ዓለምለኸ ቁጠባ ይሳተፋ ዘለዋ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብታ ሃገር ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ከተማ ኬፕታውን ተራኺበን ተዘራሪበን። ኣብቲ ርክብ ኢትዮጵያዊያን ንፕረዚደንት ሳህለወርቅ ሕቶታት ምቕራቦም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምኽትል ኣቦ መንበር ኢትዮጵያዊያን ማሕበረሰብ ናየሊ ሙሳ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቦም። ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ነቲ መጥቓዕቲ ብምኹናን ምስ መራሕቲ እታ ሃገር ኣብ ዝራኸባሉ እዋን ብዝግባእ ከምዝዘራረባሉ ምግላፀን ኣቶ ናየሊ ገሊፆም።ኣብ ከባቢ ጆሃንስብርግ ዘሎ ኩነታት ፀጥታ ብውሱን መልክዑ ምምሕያሹን ሰባት እውን ናብ ስርሖም ምምላስ ከምዝጀመሩን ተሓቢሩ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%88%B3%E1%88%85%E1%88%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%85-%E1%8B%98%E1%8B%8D%E1%8B%B4-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A5%E1%88%A9-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A0%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A0%E1%8A%95\/5073415.html"} {"headline":"ቀዋሚት ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕ\/ሃ ወ\/ሮ ሶፍያ ተ\/ማርያም ወቐረት መዝነተን ንዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃ ኣረኪበን","content":"ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓዳሽ ቀዋሚት ወኪል ኤርትራ ወ\/ሮ ሶፊያ ተስፋማሪያም ዮሃንስ ናይ መዝነት ደብዳብኤን ንዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ ትማሊ ሓሙስ ኣረኪበን። ወ\/ሮ ሶፊያ ቅድሚ ሎሚ ካብ 2005 ጀሚረን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ‘ናይ ኣሜሪካ ፋውንደሽን ንቀርኒ ኣፍሪቃ’ ናይ ዝተባህለ ትካል ፈፃሚት ዳይሬክተር ብምዃን ከምዘገልገላ ሕቡራት ሃገራት ዘውፅኦ መግለፂ ይሕብር። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ክፍሊ ምምሕዳር ኩባኒያ ቦይንግን ካልኦትን ከምዝሰርሓ እውን እቲ መግለፂ ወሲኹ ገሊፁ። ኣብ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣት ኣሪዞና ከተማ ፌነክስ ካብ ዝርከብ Western International University ብማኔጅመን ባችለር ድግሪ ከምዝተመረቓ እቲ ሓበሬታ ይገልፅ። 25 ግንቦት 1960 ኣብ ኣስመራ ዝተወልዳ ወ\/ሮ ሶፊያ በዓልቲ ሓዳርን ኣደ ሰለስተ ቆልዑን እየን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80%E1%8B%8B%E1%88%9A%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8A%AA%E1%88%8D-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8B%88-%E1%88%AE-%E1%88%B6%E1%8D%8D%E1%8B%AB-%E1%89%B0-%E1%88%9B%E1%88%AD%E1%8B%AB%E1%88%9D-%E1%8B%88%E1%89%90%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%B0%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%8A-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%88%A8%E1%8A%AA%E1%89%A0%E1%8A%95\/5073410.html"} {"headline":"ፕረዚደንት ዚምባብወ ነበር ሮበርት ሙጋበ ዓሪፎም","content":"ንደቡብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዚምባብወ ን 37 ዓመታት ዝመርሕዋ ፕረዚደንት ነበር ሮበርት ሙጋበ ኣብ መበል 95 ዓመቶም ዓሪፎም። ፕረዚደንት ነበር ሙጋበ ኣብ ሃገረ ሲንጋፖር ሕክምናዊ ረድኤት ኣብ ዝግበረሎም ዝነበረ ግዜ'ዩ ምማቶም ዝተገልጸ። ፕረዚደንት ሙጋበ ፡ ዚምባብወ ኣብ 1980 ድሕሪ ብውሑዳት ጸዓዱ ዝተዓብለለ መሪሕነት ምንጋፋ: ክሳብ ብሓይሊ ካብ ስልጣን ዝእለዩ ነታ ሃገር መሪሖምዋ እዮም። No media source currently available ናይ 37 ዓመት ዘበነ መሪሕነት ፕረዚደንት ነበር ሙጋበ ብዝተፈላለየ መለክዒታት ዝግለጽ ኣካታዒ ኮይኑ :ገሊኦም ኣብ መትከላቱ ዝጸንዐ ጅግና መራሒ ሓርነት ገይሮም የቕርብዎ። ካልኦት ድማ ዝተሰርቀ ምርጫ: ዝተዳቐቐ ቁጠባ ከምኡውን ሰፊሕ ስግኣት ኣብ ዜጋታት ዘተኣታተወ ገይሮም ይገልጽዎ። ፕረዚደንት ነበር ሙጋበ ንዘበነ መሪሕነቶም ኣመልኪቶም ኣብ 2018 ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መጠይቕ \"ኩሉ ግዜ ምምላስ ናብ ምሕደራ ቅዋም፤ ምምላስ ናብ ግዝኣተ ሕጊ፤ ምምላስ ናጽነት ናብ ህዝቢ ምስ ሰራሕኩ'የ\" ኢሎም ንዝቐርበሎም ወቐሳ ተኸላኺሎም ምንባሮም ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8B%9A%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%8B%88-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%88%AE%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B5-%E1%88%99%E1%8C%8B%E1%89%A0-%E1%8B%93%E1%88%AA%E1%8D%8E%E1%88%9D\/5072936.html"} {"headline":"`ሒደት ሰባት ተኣኪብካ ፓርቲ ኢና ስለዝበልካ ፓርቲ ኣይክወንን`ዩ` - ብርቱካን ሚደቅሳ","content":"ኣደ-መንበር ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ወ\/ት ብርቱካን ሚደቅሳ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሓደ ፖለቲካዊ ፓርቲ ዝቐውም፡ ንዝተወሰነ ክፍሊ-ሕብረተሰብ ወኪሉን ድምጹ ከምዝስማዕ ጌሩን፡ ኣብ መወዳእታ ስልጣን ኸምዝሕዝ ንምግባር`ዩ ኢላ። “ሓደ ሰለስተ ሰባት ተኣኪብካ፡ ፓርቲ ኢና ስለዝበልካ ፓርቲ ኣይክወንን`ዩ፡ እዚ ድማ ኣብ ካልኦት ሃገራት`ውን ዝስርሓሉ`ዩ።” ቅድሚ ሳምንታት ብፓርላማ ኢትዮጵያ ብዝወጸ ኣዋጅ-ሕጊ፡ 50 ዝኾኑ ፓርትታት ፖለቲካ ኢና ዝብሉ ውዳበታት፡ እቲ ሕጊ ንዓና ዘግልል`ዩ ዝብል መረረት የስምዑ ኣለዉ። እቲ ኣዋጅ፡ ንምዝገባ ፓርትታት ኣብ ዝምልከት ኣስፊርዎ ዝወጸ ዓንቀጽ፡ ንኽልል ዝወዳደሩ፡ ኣርባዕተ ሺሕ፡ ንሃገር-ለኸ ዝወዳደሩ ድማ ዓሰርተ ሺሕ ፊርማታት ከተኣኻኽቡ ዘገድድ`ዩ። ምሉእ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%92%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8A%A3%E1%8A%AA%E1%89%A5%E1%8A%AB-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%8A%93-%E1%88%B5%E1%88%88%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%8D%E1%8A%AB-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8A%AD%E1%8B%88%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8B%A9---%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%89%B1%E1%8A%AB%E1%8A%95-%E1%88%9A%E1%8B%B0%E1%89%85%E1%88%B3\/5071893.html"} {"headline":"ውድብ ዴሞክራሲያዊ ምትሕብባር ትግራይ ኣመራርሓን ኣባላትን እቲ ውድብ ማእሰርትን መውቃዕትን ኣጋጢምዎም ክብል ኣፍሊጡ","content":"ውድብ ዴሞክራሲያዊ ምትሕብባር ትግራይ ኣመራርሓን ኣባላትን እቲ ውድብ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ እናካየዱ እናሃለው ብመንግስታዊ ኣካላት ማእሰርትን መውቃዕትን ኣጋጢምዎም ክብል ኣፍሊጡ:: ፖሊስ እታ ከተማ ብወገኑ ዝተወቕዐ ይኹን ዝተኣሰረ ሰብ የለን: ካብ ሕብረተሰብ ብዝተውሃበ ጥቆማ ግና መንነት እቶም ኣካላት ንምሕታት ናብ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ብምውሳድ ሓቲትና ሰዲድናዮም ኢሉ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%8B%B4%E1%88%9E%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%88%B2%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%A5%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%AD%E1%88%93%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A5%E1%89%B2-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8B%8D%E1%89%83%E1%8B%95%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8C%8B%E1%8C%A2%E1%88%9D%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5071596.html"} {"headline":"ሓባራዊ መድረኽ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ክልላት ኦሮሚያን ቤንሻንጉል ጉሙዝን ተኻይዱ","content":"ሓባራዊ መድረኽ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ክልላት ኦሮሚያን ቤንሻንጉል ጉሙዝን ኣብ ከተማ ጊምቢ ተኻይዱ። ናይቲ ህዝቢ ሰላም ኣብ ልዕሊ ዝዘርጉ ሰባት ናይ ምቁፅፃር ተግባር ሓይሉ ከምዝቕፅል ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ’ሎ። ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦምን ኣብቲ መድረኽ ዝተሳተፉን ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ተወልደቲ ቤንሻንጉል ጉሙዝን ኦሮሞን ሰላም ናብ ናይ ቀደሙ ተመሊሱ’ሎ ኢሎም ኣለው። እቲ መድረኽ ንሰለስተ ዞባታት ምዕራብ ወለጋ፣ቡኖ በደሌን ካማሽን ኣብ ዘዋስን ቦታ ምክያዱ ንርክባት ሰለስቲአን ዞባታት ዘሐይል ምዃኑ ናይ ክልቲኦም ክልላት ናይ ሓባር ሰላምን ልምዓትን ዘተሓባብር ቤት ፅሕፈት ምኽትል ሓላፊ ኣቶ ዲንሳ ኣመንቲ ገሊፆም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%89%A3%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%8A%BD-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%A4%E1%8A%95%E1%88%BB%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%8D-%E1%8C%89%E1%88%99%E1%8B%9D%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/5071588.html"} {"headline":"ሃገራዊት ጋንታ ናሚብያ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ 2 ብ 1 ስዒራ","content":"ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንናይ 2022 ዋንጫ ዓለም መጻረይ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ናሚብያ ዘካየደቶ ግጥም 2 ብ 1 ተሳዒራ’ላ። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሓያለ ፈተነታት ሸቶ እንተካየደት’ውን ክቐንዓ ኣይከአለን።ብሬድሲ ካመልስ ዝጽዋዕ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ 14 ፕሮፌሽናል ተጻወቲ ካብ ኣውሮጳ፡ሰሜን ኣሜሪካን ኣውስትራልያን እንተምጽት`ኳ እቶም ሰለስተ ትማሊ ኣስመራ ብምእታዎም ኣብ ናይ ሎሚ ጸወታ ዘይምስታፎም ተሓቢሩ’ሎ። ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ባህር ዳር ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ዕላማ ዘለዎ ጸወታ፡ ኢትዮጵያን ለሴቶን ብዘይ ዝኾነ ሸቶ ባዶ ንባዶ ተፈላልየን ኣለዋ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8C%8B%E1%8A%95%E1%89%B3-%E1%8A%93%E1%88%9A%E1%89%A5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8C%8B%E1%8A%95%E1%89%B3-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-2-%E1%89%A5-1-%E1%88%B5%E1%8B%92%E1%88%AB\/5070294.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ሃገራዊ ምርጫ ክካየዶ ይኽእል? ካልኣይ ክፋል","content":"‘’እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፓርላማ ናይ ባዕሉ ስልጣን ከናውሕ ዝኽእለሉ ዓንቀፅ የለን’’ ብዓል ሙያ ሕጊ ኣቶ የማነ ካሳ። ‘’ሕገ መንግስቲ ሰብ እዩ ፅሒፉዎ፤ዘይቕየር ቀይሕ መስመር ገይርና ኣይንውሰዶ’’ ኣክቲቪስት ነጋሲ በየነ። ‘’እንተተኻኢሉ እቲ ፌደራል መንግስቲ ምርጫ ኣብ ግዚኡ ከካይድ ኣለዎ፤እንተዘይኮይኑ ግን ክልላዊ መንግስታት ምርጫ ብምክያድ ቤት ምኽረን ክቕይራ ኣለወን’’ኣብ ማሕበራዊ ምርጫ ዝነጥፍ ሃፍቶም በርሀ። ቀፃሊ ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ምርጫን ምምሕያሽ ሕገ መንግስትን ብዝምልከት ምስ ኣቶ የማነ ካሳ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ሕገ መንግስቲ፣ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝነጥፍ ሃፍቶም በርሀን ክልቲኦም ካብ መቐለ ከምኡ እውን ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝንቀሳቐስ ኣክቲቪስት ነጋሲ በየናን ዝተኻየደ ክትዕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/will-the-national-election-in-ethiopia-will-takes-place-on-time-part-two\/5068032.html"} {"headline":"ኣብ ጅቡቲ ተታሒዞም ዝጸንሑ 19 ኤርትራዊያን ካናዳ ኣትዮም","content":"ንዝሓለፈ 11 ዓመታት ኣብ ጅቡቲ ተታሒዞም ዝጸንሑ 19 ኤርትራዊያን ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ካናዳ ኣትዮም። ንኩነታቶም ብቀረባ ትከታተል ዝነበረት ተሓላቒት መሰላት ኤልሳበጥ ጭሩም ብዛዕባ ኩነታቶም ዝሃበቶ ቃለ- መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%85%E1%89%A1%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%92%E1%8B%9E%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%91-19-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%8A%93%E1%8B%B3-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%88%9D\/5066739.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሰለስተ ሃገራት ዘካየድዎ ናይ ስራሕ ዑደት ዛዚሞም ናብ ሃገሮም ተመሊሶም","content":"ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኮርያ፡ጃፓንን እስራኤልን ዘካየድዎ ዑደት ኣብ 2012 ንዝተታሕዘ ንሰለስተ ሚልዮን ሰባት ዕድል ስራሕ ናይ ምፍጣር ውጥን ዝሕግዝ’ዩ ክብላ ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀ\/ሚ ቢልለኔ ስዩም ገሊጸን። ቢልለኔ ስዩም ምስ ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መጠይቅ እቲ ዑደት ብመዳይ ፈጠራ ስራሕን ወፍሪን ምቹእ ኩነታት ንምርኣይ ዝተኻእለሉ’ዩ ኢላ’ላ። ስምምዓት ከምዝተፈረመ’ውን ሓቢራ’ላ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5%E1%8B%8E-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%9E%E1%88%9D-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%8A%E1%88%B6%E1%88%9D\/5066729.html"} {"headline":"ፕረ. ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ፕረዚደንት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም","content":"ፕረዚደንት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ(ካፍ) ኣሕመድ ኣሕመድ ቀዳም 31 ነሓሰ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ ኣብ ምዕባለ ኩዕሶ እግሪ፡ ህጻናትን መንእሰያትን መራሒ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምእማን ብሓባር ክሰርሑ ተሰማሚዖም። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሃገራዊት ጋንታ ናሚብያ ረቡዕ 4 መስከረም ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ መጻረዪ ግጥም ዋንጫ ዓለም ንምክያድ ሎሚ ኣስመራ ኣትያ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8A%AE%E1%8A%95%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%A8%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%8A%A9%E1%8B%95%E1%88%B6-%E1%8A%A5%E1%8C%8D%E1%88%AA-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/5066613.html"} {"headline":"ኣስመራ:ግጥም ኩዕሶ እግሪ ሴካፋ ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ ኡጋንዳ ተዛዚሙ","content":"ካብ 16 ነሓሰ,2019 ጀሚሩ \"ዋንጫ ሰላምን ዕብየትን\" ዝብል ስያመ ተዋሂብዎ ኣብ ኣስመራ ክካየድ ዝቐነየ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ሃገራዊያን ጋንታታት ምብራቕን ማእከላይ ኣፍሪቃ (ሴካፋ) ትሕቲ 15 ዓመት ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ ኡጋንዳ ተዛዚሙ። ሃገራዊት ጋንታ ኡጋንዳ ንመጋጥምታ ሃገራዊት ጋንታ ኬንያ 4 ብ 0 ብምስዓር ሻምፕዮና ግጥም ኩዕሶ እግሪ ሃገራዊያን ጋንታታት ምብራቕን ማእከላይ ኣፍሪቃ (ሴካፋ) ትሕቲ 15 ዓመት 2019 ኮይና። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8C%8D%E1%8C%A5%E1%88%9D-%E1%8A%A9%E1%8B%95%E1%88%B6-%E1%8A%A5%E1%8C%8D%E1%88%AA-%E1%88%B4%E1%8A%AB%E1%8D%8B-%E1%89%A5%E1%8B%93%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8C%8B%E1%8A%95%E1%89%B3-%E1%8A%A1%E1%8C%8B%E1%8A%95%E1%8B%B3-%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%99\/5063647.html"} {"headline":"ሃገራዊ ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ንሕቶ ክልል ሲዳማ ብድምጺ ህዝቢ ኣብ ዝመጽእ ሕዳር ከምዝውሰን ኣፍሊጡ","content":"ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ንሕቶ ክልልነት ዞባ ሲዳማ ንምምላስ ኣብዚ ዝመፅ ዓመት መጀመርታ ሕዳር 2012 ህዝቢ ድምፂ ብምሃብ ክውሰን እዩ ክብል ኣፍሊጡ። ነዚ ስራሕ ዘድሊ ልዕሊ 70 ሚሊዮን ብር ምምሕዳር እቲ ክልል ከዳለው እውን ትፅቢት ይግበር። ሃገራዊ ምርጫ ቦርድ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ’ቲ ቦርድ ባይቶ ክልል ደቡብ ህዝብታት ብደብዳበ ንዘቕረበሉ ሕቶ መልሱ ንምሃብ ክሰርሕ ከምዝሰንሐ ገሊጹ ድምጺ ህዝቢ ውሳነ ዝካየድ ዕለት ከምዝፈለየ አማኻሪት ኮሚኒኬሽን’ቲ ቦርድ ወ\/ሮ ሶልያና ሽመልስ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጻ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%89%A6%E1%88%AD%E1%8B%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%95%E1%89%B6-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%B2%E1%8B%B3%E1%88%9B-%E1%89%A5%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BA-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%8A%A5-%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8B%8D%E1%88%B0%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5062270.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ክልተ ውድባት ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቃሳቶም ጸገም የጋጥሞም ከምዘሎ ሓቢሮም","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ንምፍፃም ኣብ ዝገብርዎ ፃዕሪ ብተደጋጋሚ ብመንግስታዊ ኣካላት ፀገማት የጋጥመና እዩ ክብሉ ውድባት ዓረና ትግራይን ዴሞክራሲያዊ ምትሕብባር ትግራይን ሓቢሮም:: ኣቦ መንበርን ሓላፊ ርክብ ህዝብን ዓረና ድማ ብቕድሚ ትማሊ ተኣሲሮም ምንባሮ ገሊፆም:: ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ ብወገኑ ኣካላት ፀጥታ እቲ ክልል ንኩሉ ብፍትሓውነት ዘገልግል እዩ ኢሎም:: \"ብቕድሚ ትማሊ ምንቅስቓስ ኣመራርሓ ዝጠርጠሮም ሰባት ንኣካላት ፀጥታ ጥቆማ ሂቦም ፖሊስ ድማ ናብ መዕረፊ ወሲዱ ዘድሊ ሕቶ ሓቲቱዎም ሽዑ ድማ ኣፋንይዎም\" ኢሉ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%B5%E1%89%83%E1%88%B3%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8C%B8%E1%8C%88%E1%88%9D-%E1%8B%A8%E1%8C%8B%E1%8C%A5%E1%88%9E%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/5062098.html"} {"headline":"ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ስፖርት ክብርኣብ ተስፋሚካኤል ብዛዕባ ግጥማት መላእ ኣፍሪቃ 2019 ራባት ሞሮኮ","content":"ኣብ ራባት ሞሮኮ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጥማት መላእ ኣፍሪቃ ዝሳተፍ ዘሎ ጋዜጠኛ ስፖርት ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ክብርኣብ ተስፋሚካኤል ፡ ኤርትራ ብሽዱሽተ ዓይነታት ስፖርት ትሳተፍ ከምዘላ ብምሕባር፡ እቲ ዛጊት ተረኺቡ ዘሎ ውጽኢት እቲ ልሙድ ውጽኢት እኳ እንተዘይኾነ: ብሓፈሻ ግን ምስ 54 ሃገራት ተወዳዲርካ ዝርከብ ቀሊል ውጽኢት ከምዘይኮነ ገሊጹ።\\n\\nጋዜጠኛ ክብረኣብ ነዚ ዝገለጽ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ክኸውን እንከሎ ፡ ተወዳደርቲ ብዕድመ ንኡሳን ብምኻኖም ናብ ውድድራት ኦሎምፒክን ካልእ ኣህጉራዊ ግጥማት ዘላልዮምን ዘሰጋግሮምን ብምኻኑ ዝዓበየ ብልጫ ከምዘለዎ ጠቒሱ። ኤርትራ ኣብ ራባት ሞሮኮ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጥማት መላእ ኣፍሪቃ ብሽዱሽተ ዓይነታት ስፖርት ሰደቓ ተኒስ፤ ኣትለቲክስ፤ ብሽክለታ፤ ባድመንተን፤ ምሕምባስን ቸስን ትሳተፍ ኣላ። No media source currently available ነዚ ብዝምልከት ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ጋዜጠኛ ስፖርት ክብርኣብ ተሳፋሚካኤል ምስ ድምጺ ኣመሪካ ቋንቋ ትግርኛ ነቲ ስፖርታዊ ግጥማትን ደረጃ ኤርትራን ኣመልኪቱ ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ። ኣብ ኣትሌትክስትን ብሽክለታን ጽቡቕ ውጽኢት ከምዝረኽቡ ተስፋ ጌሮም ከምዝመጹ ዝገለጸ ክብረኣብ ተስፋሚካኤል ኣብ ጸወታ ቸዝ ንዝተመዝገበ ውጽኢት'ውን ቀሊል ከምዘይኮነ ሓቢሩ'ሎ። \"ቸዝ ኤርትራ ከም ሃገራዊ ፈደረሽን ካብ ዝቐውም ዝሓለፈ 6 ኣዋርሕ ፈላማይ ኣህጉራዊ ውድድር የካይድ ኣሎ። ኣብዚ ናይ ራባት ውድድ ር ድማ ክልተ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዓለምለኸ ደረጃታት ክኣትው ክኢሎም ኣለው\" ኢሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B-%E1%88%B5%E1%8D%96%E1%88%AD%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B0%E1%88%B5%E1%8D%8B%E1%88%9A%E1%8A%AB%E1%8A%A4%E1%88%8D-%E1%89%A5%E1%8B%9B%E1%8B%95%E1%89%A3-%E1%8C%8D%E1%8C%A5%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%8B%E1%8A%A5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-2019-%E1%88%AB%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%88%AE%E1%8A%AE-\/5060813.html"} {"headline":"ግጥማት ሰካፋ: ኡጋንዳን ከንያን ናብ ፍጻመ ሓሊፈን","content":"ሎሚ 28 ነሓሰ ኣብ ዝተካየደ ናይ ሴካፋ ትሕቲ 15 ዓመት ናይ ፍርቂ ፍጻመ ግጥም ሃገራውያን ጋንታታት ኡጋንዳን ኬንያን ናብ ፍጻመ ክሓልፋ ከለዋ ሩዋንዳን ብሩንድን ተሳዒረን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8C%8B%E1%8A%95%E1%89%B3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A1%E1%8C%8B%E1%8A%95%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%AC%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%8D%8D%E1%8C%BB%E1%88%98-%E1%88%B4%E1%8A%AB%E1%8D%8B-%E1%88%93%E1%88%8A%E1%8D%88%E1%8A%95-\/5060787.html"} {"headline":"ዋዕላ 'ሃገርለኸ መድረኽ ምድሓን ሕገ መንግስትን ሕብረ-ብሄራዊ ፈደራላዊ ስርዓትን' ተዛዚሙ","content":"ኣብ ከተማ መቐለ ንክልተ መዓልታት ክኻየድ ዝቐነየ \"ሃገርለኸ መድረኽ ምድሓን ሕገ መንግስትን ሕብረ-ብሄራዊ ፈደራላዊ ስርዓትን\" ዝተሰየመ ዋዕላ ትማሊ ኣማስዩ ተዛዚሙ። ኣብቲ መድረኽ ኣስታት 38 ውድባት ፖለቲካ ሓዊሱ ሽማግለ ዓድን ምሁራትን ተሳቲፎም:: ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ተመሳሳሊ ዘተ ብቐፃሊ ንምክያድ’ውን ወሲኖም ኣለው:: ካብ ውድባት ፖለቲካ፣ ሽማግለ ዓዲን ምሁራን ዝተዋፅኡ ዝተሳተፍሉ እቲ መድረኽ ብቐፃሊ ኣብ ካልኦት ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ተመሳሳሊ ክካየድ ወሲኖም::: ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ኣብ ዘውፅእዎ በዓል 10 ነጥቢ መግለፂ: ኣብዚ ሐዚ እዋን ሕብረ ብሄራዊ ፈደራላዊ ስርዓትን ሕገመንግስትን ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ ገሊፆም:: ሃገር ይመርሕ ዘሎ ኢህወደግ ውሽጣዊ ፀገማቱ ፈቲሑ ሕገመንግስትን ሕብረ ብሄራዊ ፈደራላዊ ስርዓት ናይ ምሕላው ሓላፊነት ኣለዎ ድማ ኢሎም:: እዚ ምሕላው ህልውና ሃገር ብምዃኑ ኩሉ ዜጋ ሓላፊነቱ ክዋፃእ ፀዊዖም:: ተሳተፍቲ ልዕልና ሕጊ ብምርግጋፅ ድሕንነት ዜጋታትን ሰላም ንምኽባር መንግስቲ ሓላፊነቱ ክዋፃእ ሓቲቶም:: ሕጊመንግስቲ ንምምሕያሽ ኣብ ዘድልየሉ ድማ ብመሰረት እቲ ሕጊ ክካየድ ከምዘለዎ አመላኺቶም:: እቶም ተሳተፍቲ ሕገመንግስትን ሕብረ ብሄራዊ ፈደራላዊ ስርዓት ካብ ሓደጋ ንምድሓን ከምዝቃለሱ ቃል ዝኣተዉ ኮይኖም መረፃ 2012 ኣብ እዋኑ ክካየድ ሓቲቶም:: No media source currently available ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል: ፈደራላዊን ሕገመንግስታዊ ስርዓት ተሓልዩ ክኸይድ ዝምልከቶም ኣካላት ኣብዚ መድረኽ ክሳተፉ ዓዲምና ኢሎም:: ዶክተር ደብረፅዮን ውድቦም ህወሓት ኣብ ትግራይ ጠመተ ሂቡ ከምዝሰርሕ ገሊፆም: ኣብ ፈደራል ድማ ዝግበኦ ብፅሒት ከምዘበርከት ተዛሪቦም:: ብቐፃሊ እቲ መድረኽ ዘዳልው ካብ ዝተፈላለዩ ውድባት ፖለቲካ: ሽማግለ ዓዲን ምሁራንን ዝተውፅኡ ኮሚቴ ብምጥያሽ እቲ መድረኽ ትማሊ ኣማስዩ ተዛዚሙ:: ኣብቲ መድረኽ ውድባት ኦፌኮ: ኣገው ሸንጎ: ገስጋሳይ ውድብ ስርዓት ገዳ : ብዶክተር ሚልዮን ዝምራሕ ውድብ ሲኣንን ካልኦት 38 ውድባት ኣብ ዝተሳተፍሉ ኣብዚ መድረኽ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ተቓዋምቲ ውድባት ግን ኣይተዓደሙን:: ኣቦ መንበር ዓረና ትግራይ ኣይተ ኣብርሃ ደስታ ውድቦም ኣብቲ መድረኽ ከምዘይተዓደመ ገሊፆም:: ብተወሳኺ ድማ ካብ ካልኦት ውድባት ብውልቀ እንትዕደሙ ዋላ ሓደ ኣባል ዓረና ኣይተዓደመን እዚ ድማ ገዛኢ ውድብ ህወሓት ንተቓወምቲ ውድባት ትግራይ ዘለዎ ንዕቐት ዘርኣየሉ እዩ ኢሎም:: ኣተሓባባሪ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣይተ ሃያሉ ጎድፋይ ብወገኖም ኣብቲ ዘተ ውድቦም እውን ከምዘይተዓደመ ገሊፆም:: ከም ውልቀ ሰብ ግና ካብ ኣባላት ውድቦም ዝተዓደሙ ከምዘለዉ ተዛሪቦም:: እዚ ድማ ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ዝሳተፉ ኣባላቱ ባዕሉ ይመርፅ እምበር ክምረፀሉ ኣይግባእን ኢሎም:: እዚ ድማ ገዛኢ ውድብ ህወሓት ኣብ ትግራይ ፓርቲ ብሕታዊ ምኻኑ ንምንፅብራቕ ዝተጠቐመሉ ኣካይዳ እዩ ተቐባልነት የብሉን ኢሎም:: ኣብዚ ጉዳይ መልሲ ዝሓተትናየን ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ኣብቲ መድረኽ ኣመራርሓ ሳልሳይ ወያነን ባይቶናን ብውልቀ ተዓዲሞም እዮም ከምውድብ ዘይተዓደሙ ግና ኣብ ቦርድ መረፃ ተመዚጊቦም ኣፍልጦ ስለዘይረኸቡ እዩ ኢለን:: ወይዘሮ ሊያ ካብ ውድብ ዓረና ከም ውድብ ይኹን ከምውልቀ ዝተዓደመ የለን ንምንታይ ዝብል ሕቶ ኣቕሪብናለን ኣብቲ መድረኽ ዝተዓደሙ ፌደራሊስት ሓይልታት እዮም ኢለን:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8B%E1%8B%95%E1%88%8B-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%8A%BD-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%93%E1%8A%95-%E1%88%95%E1%8C%88-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%89%A5%E1%88%84%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%99\/5060664.html"} {"headline":"ኣብ ህንጸት ዝጸንሐ ጽርግያ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝመጽእ ሓዲሽ ዓመት ኢትዮጵያ ክምረቕ `ዩ ተባሂሉ","content":"ክህነጽ ዝጸንሐ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ ጽርግያ ዝመጽእ ሓዲሽ ዓመት ኢትዮጵያ ክምረቕ `ዩ ተባሂሉ። ንሚንስትሪ መጉዓዝያ ኢትዮጵያ ዝጠቐሰ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ከም ዝሓበሮ እንተኾይኑ፡ ነቲ ፕሮጀክት ትዓምም ዘላ ኤርትራ`ያ። እቲ 90 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ጽርግያ፡ካብ 6 ሜትሮ ናብ ልዕሊ 12 ሜትሮ ከምዝገፍሐ፡ 25 ሓደሽቲ ድልድላት ከም ዝተሰርሖን፡ ኣብ ዝቕጽል ሒደት መዓልታት ከምዝዛዘምን እቲ ሚንስትሪ ሓቢሩ`ሎ። እቲ ዝብሃል ዘሎ 90 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ጽርግያ ካበይ ናበይ ምዃኑ ግን ኣይተጠቐሰን። እቲ ኣብ ክልቲኣዊ ዝምድናታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዓቢይ ተራ ዝህልዎ `ዩ ዝተባህለ መስመር ጽርግያ፡ ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ወሲኽካ ብሓሙሽተ ኩባንያታት ኤርትራ ዝዕመም ዘሎ ምዃኑ`ውን፡ ንሚንስትሪ መጎዓዝያ ኢትዮጵያ ዝጠቐሰ ኢዜኣ ሓቢሩ`ሎ። ምሕዳስን ህንጸትን`ቲ ጽርግያ፡ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝሽፈን ምዃኑ`ውን ወሲኹ ጠቒሱ`ሎ። ኣቐዲሙ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያን ፕረዚደንት ኤርትራን፡ ንርክባት ንግዲ ምስ ኢትዮጵያ ኣገዳ’ዩ ዝተባህለሉ ካብ ነፋሲት ናብ ደቀምሓረ ዝሕውስ ጽርግያ ከምዝተዓዘቡ ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8A%95%E1%8C%B8%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%93-%E1%8C%BD%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%8B%AB-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%8A%A5-%E1%88%93%E1%8B%B2%E1%88%BD-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%88%A8%E1%89%95-%E1%8B%A9-%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%82%E1%88%89\/5060607.html"} {"headline":"'ህውሓትን ኦነግን ዳግማይ ናብ ስልጣን ንክምለሱ ሓድሽ ግንባር ፖለቲካ ይፈጥሩን ዝመሳሰልዎም ውድባት ይአኻኽቡን ኣለው' ልደቱ አያሌው","content":"ህውሓትን ግንባር ናጽነት ኦሮሞ (ኦነግ)ን ዳግማይ ናብ ስልጣን ንክምለሱ ሓድሽ ግንባር ፖለቲካ ይፈጥሩን ዝመሳሰልዎም ውድባት ይአኻኽቡን ኣለው ክብሉ አባል ቤት ምኽሪ አደፓ አቶ ልደቱ አያሌው ተዛሪቦም። አባላት’ቲ ምትእኽኻብ ነቲ ናይ 27 ዓመታት ስርዓት ዝነበሮ ጉድለት ካብ ምምላእ ካልእ ጸገም ናይ ምፍጣር ድልየት ሒዞም ይመጹ ኣለው። እዚ ኸአ ኢትዮጵያ ናብቲ ዝነበረቶ ጥራይ ዘይኮነስ ካብኡ ናብ ዝገደደ ስርዓት ክትሰጋገር ዝገብር’ዩ: ነቲ ናይ ለውጢ ከይዲ’ውን ክፈሽል ክገብር ይኽእል’ዩ ክብሉ ስግኣቶም ገሊጾም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8C%8D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%8A%93%E1%8C%BD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9E-(%E1%8A%A6%E1%8A%90%E1%8C%8D)%E1%8A%95-%E1%8B%B3%E1%8C%8D%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%88%88%E1%88%B1-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%8C%8D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB-%E1%8B%AD%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%A9%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%88%B3%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8A%A0%E1%8A%BB%E1%8A%BD%E1%89%A1%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%88%8D%E1%8B%B0%E1%89%B1-%E1%8A%A0%E1%8B%AB%E1%88%8C%E1%8B%8D\/5059112.html"} {"headline":"\"ሃገርለኸ መድረኽ ምድሓን ሕገ መንግስትን ሕብረ-ብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓትን\" ዝተሰየመ ዋዕላ ኣብ መቐለ ይካየድ'ሎ","content":"ኣብ ከተማ መቐለ \"ሃገርለኸ መድረኽ ምድሓን ሕገ መንግስትን ሕብረ-ብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓትን\" ዝተሰየመ ዋዕላ ይካየድ ኣሎ። ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ኩሎም ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝተውፅኡ ሽማግለ ዓዲ: መራሕቲ ውድባት ፖለቲካ: ምሁራንን መራሕቲ ሃይማኖት ዝተሳተፍሉ ሃገራዊ መድረኽ: ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያን ፌዴራላዊ ስርዓት ዝምልከት ፅሑፋት ቀሪቦም ዘተ ይካየደሎም ኣሎ:: \"ምድሓን ሕገ መንግስትን ሕብረ ብሄራዊ ፌዴራላዊ ስርዓት\" ብዝብል ይካየድ ዘሎ እቲ መድረኽ ዝኸፈቱ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል: ብሄር ብሄረሰባት ህዝብታትን ብዝገበርዎ ዕውት ቃልሲ ፌዴራላዊ ዴሞክራሲያዊ መንግስቲ ተጣይሹ: ብማዕርነትን ሓድነትን ዝነብሩላ ሃገር መስሪትና ኢሎም:: ንሶም እቲ ሕገመንግስቲ መሰል ዓርሰ ውሳነ ዝሃበ ሃገር ድማ ብሓባር ዘማሓድርዋ ስርዓት ብነፃነት ዝሃበ እዩ ድሕሪ ምባል ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋዕ: ኣብ ሕገ መንግስቲ ዝተረጋገፁ መሰላት ኣብ ኣደባባይ ብስፍሓት ይጠሓሱ ከምዘለዉ ተንቀሳቒስኻ ንምስራሕን ሃብቲ ንምፍራይ ዘይካኣለሉ ኩነታት ተፈጥሩ ኣሎ ኢሎም:: ዶክተር ደብረፅዩን ወሲኾም ኣብዛ ሃገር ዝተፈጠሩ ፀገማት ብኸምዚ ዘለዎ ኩነታት እንተቐፂሉ ዝኸፍአ ምጥፍፋእ ከይፍጠር ናይ ኩሉ ዜጋ ስግኣት እናሓየለ መፂኡ ኢሎም ። \" እዛ ሃገር ስርዓት ኣልቦነት ነጊስዋ መንግስቲ ዘይብላ ሃገር ክሳብ ትመስል ዜጋታት ብመንነቶም ምኽንያት መንቀሳቐሲ ሲኢኖም ኣብ ዘለናሉ እውን ኢዶም ናብ ፌዴራላዊ ስርዓት ዘወጣውጡ ኣይጠፍኡን:: ጎንፅታት ብሄር ምብርኻቶም ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ብመንነቶም መጥቃዕቲ ክበፅሖም ምኽኣሉ: ብተወሳኺ ድማ ኣብ ልዕሊ ህይወት ዜጋታት ስጋኣት ምውሳኹ ብፌዴራላዊ ስርዓት ብምምራሕና ዘይኮነስ ሕጊ ምኽባር ብዘይምኽኣልና እዩ::\" ፌዴራላዊ ስርዓት ኣሉታዊን ኣወንታዊ ምስሊ ከምዘለዎ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን: ኮይኑ ግና እቲ ኣወንታዊ ብምሕያል ኣሉታዊ ድማ መስተኻኸሊ ስጉምቲ ብምውሳድ ሕብረ ብሄራዊ ፌዴራልዝም ክቕፅል ምግባር ኣማራፂ ዘይብሉ እዩ ኢሎም:: እቲ ሕገ መንግስቲ ብሕገ መንግስታዊ መንገዲ ተኸቲልካ ምምሕያሽ ይከኣል: ይገባእ እውን ክብሉ ተዛሪቦም:: \" ውሽጣዊ ኩነታትና እንትረአ ካብ ሓፈሻዊ ፀገማትና እናዛየደ መፂኡ ኣሎ:: ሕገ መንግስቲ ብግልፂ ዝጠሓሰሉ ልዕልነት ሕጊ ዘይኽበረሉ ናይ ኩሉ መሰረት ዝኾነ ሰላም ድማ ዝተዘረገሉ እዋን ንርከብ:: ታሪኻዊ ኣብ ነዊሕ እዋን ዝተሃነፁ ህዝባዊ ክብርታትና እናሃሰሱ መፂኦም:: ብሓፂሩ ሃገርና ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ፈታኒ ሓደገኛን ዘፍርሕ ኩነታት ትርከብ::\" ክብሉ ዶክተር ደብረፅዮን ገሊፆም:: ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ዝኾኑ ዶክተር መንበረ ፀሃይ ታደሰ ሕገ መንግስትን፡ ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘቕረብዎ መፅናዕታዊ ፅሑፍ፡ ንሕገ መንግስቲ ንምድሓን ንዕላማታት እቲ ሕገመንግስትን ምርዳእ የድሊ ኢሎም:: ሕገ መንግስቲ ኢትዩጵያ ናይ ሰላም ሰነድን፡ ብሄር ብሄረስባት ምዕሩይ መስል ክህልዎም ብምግባር፡ ነቲ ጠንቂ ጎንፂ ዝነበረ ፀገም ዝፈትሐ እዩ ኢሎም:: ኣብቲ መድረኽ ዝቐረቡ ፅሑፋት ዘተ ይካየደሎም ዘሎ ኮይኑ ፅባሕ እውን እቲ መድረክ ብምቕፃል ኣብ ልዕልነት ሕግን መረፃ 2012 ጽሑፋት ክቐርቡ እዮም:: ኣብቲ ሃገራዊ መድረኽ ውድባት ዓረና ትግራይን ሳልሳይ ወያነ ትግራይን ከም ውድብ ዘይተዓደሙ ምኻኖም እዚ ድማ ትኽክል ዘይምኻኑ ገሊፆም:: ገለ ኣባላት ሳልሳይ ወያነ ግና ብውልቀ ከምዝተዓደሙ ተዛሪቦም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%8A%BD-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%93%E1%8A%95-%E1%88%95%E1%8C%88-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%89%A5%E1%88%84%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8D%8C%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%8B%A8%E1%88%98-%E1%8B%8B%E1%8B%95%E1%88%8B-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8B%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%88%8E\/5057643.html"} {"headline":"ኣስመራ- ኬንያ:ብሩንዲ:ንኡጋንዳን ሩዋንዳን ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሴካፋ ሓሊፈን","content":"ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ሃገራዊ ጋንታታት ማእከላይን ምብራቕ ኣፍሪቃ (ሴካፋ) ትሕቲ 15 ዓመት ኬንያን ብሩንዲን ካብ ምድብ 1:ኡጋንዳን ሩዋንዳ ከብ ምድብ 2 ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፈን።ረቡዕ 28 ነሓሰ ኬንያ ምስ ሩዋንዳ: ኡጋንዳ ምስ ብሩንዲ ክገጥማ'የን። ምስዚ ብዝተአሳሰር ሎሚ 26 ነሓሰ : ሓለፍትን ተሳተፍትን ውድድር ሴካፋ ናብ ልምዓታዊ ቦታትት በጺሖም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8A%AC%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%A9%E1%8A%95%E1%8B%B2-%E1%8A%95%E1%8A%A1%E1%8C%8B%E1%8A%95%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%88%A9%E1%8B%8B%E1%8A%95%E1%8B%B3%E1%8A%95%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%8D%8D%E1%8C%BB%E1%88%98-%E1%88%B4%E1%8A%AB%E1%8D%8B-%E1%88%93%E1%88%8A%E1%8D%88%E1%8A%95\/5057361.html"} {"headline":"ቻምፒዮንስ ሊግ ኣፍሪቃ: ጋንታ መቐለ 70 እንደርታን ካኖ ስፓርትን ብማዕረ ሸቶ ተፈላልየን","content":"ኣብ ቻምፒዮንስ ሊግ ኣፍሪቃ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ምስ ካኖ ስፓርት ኣካዳሚ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ኣብ ሜዳኣ ማዕረ ሸቶ 1 ብ 1 ተፈላልያ:: ኣብ ሻምፒዮንስ ሊግ ኣፍሪቃ ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ መቐለ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ምስ ናይ ኢኳቶሪያል ጊኒ ካኖ ስፖርት አካዳሚ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ማዕረ ብምውፃኣ ናብ ቐፃሊ ዙርያ ከይሓለፈት ተሪፋ:: No media source currently available ኣብ መበል 11 ደቒቓ ኣማኑኤል ገብረሚካኤል ብዘመዝገባ ሸቶ መቐለ 70 እንደርታ መሪሕነታ ክትሕዝ ኪኢላ ዋላ ተነበረት ቤንጃሚን ናኦኔ ኣብ መበል 37 ደቒቓ ብዘመዝገባ ሸቶ ካኖ ስፖርት ኣካዳሚ ማዕረ ገይርዋ። ብመሰረት እዚ ብድምር ውፅኢት 3 ብ 2 ብዝኾነ ውፅኢት መቐለ 70 እንደርታ ተሳዒራ ካብ ውድድር ወፃኢ ኮይና:: ጋንታ መቐለ ዝረኸበቶ ፍፁም ቅላዕ ኦሴይ ማውሊ ክጥቀመላ ኣይከኣለን:: ተፃወቲ መቐለ 70 እንደርታ ብቁፅፅር ኩዕሶን ፅዕንቶ ፈጢርካ ብምፅዋት ዝሓሹ ነይሮም: ካኖ ስፖርት አካዳሚ ድማ ሜላ መሊስካ ምጥቃዕ ብምጥቃም ተፃዊቶም:: ናብ ቐፃሊ ዙርያ ዝሓለፈት ጋንታ ካኖ ስፖርት ኣካዳሚ ኣብ ወርሒ መስከረም ምስ ናይ ግብፂ ጋንታ ኣል-ኣህሊ ክትፃወት ምኻኑ ተገሊፁ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%BB%E1%88%9D%E1%8D%92%E1%8B%AE%E1%8A%95%E1%88%B5-%E1%88%8A%E1%8C%8D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8C%8B%E1%8A%95%E1%89%B3-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-70-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%89%B3%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%8A%96-%E1%88%B5%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%9B%E1%8B%95%E1%88%A8-%E1%88%B8%E1%89%B6-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%8D%E1%8B%A8%E1%8A%95-\/5057227.html"} {"headline":"ኣብ መተማ ዝተታሕዘ ጽዕነት ሕጋዊ'ዩ ተባሂሉ","content":"ተተኳሲን ጠያይቲን ፅዒነን ናብ ሱዳን ይሰግራ ዝነበራ ሓሙሽተ ናይ ፅዕነት መካይን ኮርፖረሽንኢንጂነሪንግ ሓፂን መፂን \/ሜቴክ\/ ዘፍረዮንን ብሕጋዊ ሰነድ ዝተሸጠን ምዃኑ ዳይረክተር ሜቴክ ብርጋዴር ጀነራል ኣሕመድ ሃምዛ ገሊፆም። ምኽትል ኣማሓዳሪን ሓላፊ ጉዳያት ሰላምን ድሕነትን ዞባ ምዕራብ ጎንደር ኣቶ ደሳለኝ ጣሰው ብወገኖም እተን መካይን ካብ ኣካላት ፀጥታን ህዝብን ዝተወከሉ ኮ ሚቴታት ብሓባር ሕጋዊ ንብረትመንግስቲ ኢትዮጵያ ምዃኑ ኣረጋጊፅና ኢሎም ኣለው። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ መተማ ዝተታሓዛን ተተኳሲ ፅዒነን ዝተባህለ ምስ ተሰሓብተን ሓሙሽተ ናይፅዕነት መካይን ናይ ሓፂን መፂን ኢንጂነሪንግ ኮርፖረሽን ሜቴክ\/ ዘፍረዮ ብሕጋዊ ኣገባብ ዝተሸጠ ምዃኑዳይረክተር ናይቲ ኮርፐረሽን ጀነራል ኣሕመድ ሃምዛ ገሊፆም። “ረቡዕ ኣነ ባዕለይ ናብ መተማ ከይደ ተዘራሪብና።መረዳእታና ነቲ ዞባ ኣቕሪብና ተኣማሚና ኢና።እቲ ሕብረተሰብ ግንስለዝተጠራጠረ ክሪኦ ኣለኒ ኢሉ ንሕና እውን ርኣዩዎ ኢልናዮም ሪኦም ወዲኦም ኣለው።ሕጋዊ እዩ።ምስቲሕብረተሰብ እናተመያየጠሉ ከምዘሎ ደዊሎም ነጊምኒኣለው።” ዝኾነ ይኹን ንብረት ክነቀሳቐሰ ከሎ ሓይልታት ምክልኻል ከምዝፈልጡዎን በብከባቢኡ እናተቐባበሉን እናዓጀቡንከምዘሕልፉዎ ብምግልፅ ኣብ ጎንደር መተማ ግን እቲ ሓበሬታ ዘይበፅሖ ሓደ ሰብ ነይሩ፤ መከላኸሊ ግን ይፈልጦእዩ ኢሎም። “ናይ ሓበሬታ ክፍተት ዝፈጥሮ ነገር ኣሎ።ዘይፍለጥ ነገር ግን ኣይተነቀሳቐሰን።ኣብቲ ጫፍ ዘሎ ሓደ ሰብኣይፈለጠን፤እዚ ድማ ንኻሊእ ግዜ ምዕራይ እምበር ዝተበላሸውን ዘይሕጋውን ነገር ኣይነበረን።” ምኽትል ኣማሓዳሪን ሓላፊ ጉዳያት ሰላምን ድሕንነትን ዞባ ምዕራብ ጎንደር ኣቶ ደሳለኝ ጣሰው ናይ መከላኸሊመካይን ኣርማን ታርጋን ብግሪስ ምልምጣጡን ናይ ኣገልግሎት ፓስፖርት ዘይተማልአ ምንባሩን ክፍተት ስለዝነበረናይቲ ህዝቢ ጥርጣረ ግቡእ ብምንባሩ ንክፃረ ወሲና ተፃሪዩ’ሎ ኢሎም። ካብቲ ሕብረተሰብ፣ካብ መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮን ሽማግለታት ዓድን ከምኡ እውን ካብ ፍትሒ፣ግሙሩክ፣ካብምክልኻልን ፍሉይ ሓይልን ዝተዋፅአ ጉጅለ ብዝገበሮ ፍተሻ ዝፀዓንኦ ብመንግስቲ ንስራሕ ዝተልኣኸን ብሕጋዊብደብዳበ ዝተሰነየ ንጎረቤት ሃገር ዝኸይድን ምዃኑ ንዝተፅሓፈ ደብዳበ ተረጋጊፁ እዩ ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%95%E1%8B%99-%E1%8C%BD%E1%8B%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%8C%8B%E1%8B%8A-%E1%8B%A9-%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%82%E1%88%89\/5054786.html"} {"headline":"ሩዋንዳን ኡጋንዳን ናብ ፍርቂ ፍጻሜ ትሕቲ 15 ዓመት ግጥም ሴካፋ ሓሊፈን","content":"ሎሚ 23 ነሓሰ ኣብ ዝተገብረ ናይ ምድብ ክልተ ጸዋታታት ሃገራዊት ጋንታ ሩዋንዳ ንታንዛንያ 2 ብ 0 ክትስዕራ ከላ ኡጋንዳ ንደቡብ ሱዳን ብፎርፌ ብምስዓር ክልቲኦም ናብ ፍርቂ ፍጻሜ ሓሊፈን ኣለዋ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%A9%E1%8B%8B%E1%8A%95%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%A1%E1%8C%8B%E1%8A%95%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%8D%8D%E1%8C%BB%E1%88%9C-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B2-15-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%8C%8D%E1%8C%A5%E1%88%9D-%E1%88%B4%E1%8A%AB%E1%8D%8B-%E1%88%93%E1%88%8A%E1%8D%88%E1%8A%95\/5054536.html"} {"headline":"ኤርትራ-‘ብቋንቋ ኣደ ምምሃር ጽቡቝ`ኳ እንተኾነ ግእዝ ገዲፍካ ብላቲን ምጥቃም ግን፡ ኣብ ስራሕ ዓለም ሃስያ የስዕብ ኣሎ’ ኣጋይሽ ድምጺ ኣሜሪካ","content":"ኣብ ሚንስትሪ ትምህርቲ ኤርትራ ዳይረክተር ጀነራል ክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ኣቶ ሙሳ ሑሰን ናይብ ንንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብቋንቋ ኣደ ምምሃር ኣብ መዳይ ትምህርትን ማሕበረ-ቁጠባውን ባህልን ናይ ሕብረተሰብ ድረብ ረብሓ ኣለዎ ኢሉ ኔሩ። እብ`ተን ውሑድ ተዛረብቲ ዘለወን ቋንቋታት ዝረኣዩ ሕጽረት መወከሲ መጽሓፍትን ኣብ ስራሕ ዓለም ዘጋጥሞም ናይ ምርድዳእ ጸገማትን ንምፍታሕ ፡ዝተፈላለዩ ጻዕርታትን ፍሉይ ምትብባዓትን ከምዝግበረሎም ኣቶ ሙሳ ሑሰን ናይብ ተዛሪቡ ኔሩ። ምስ`ዚ ዘይሰማምዑ ሰለስተ ተወልድቲ ብሄረ-ብሌን ግን፡ ብቋንቋ ኣደ ምምሃር ዝድገፍ እኳ እንተኾነ፡ ነቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ኤርትራ ዝጥቀመሉን፡ ኣብ ኣብያተ-ጽሕፈት መንግስቲ ዝሰርሕን ትግርኛ ገዲፍካ ኣብ ክንዲ ብግእዝ ብላቲን ምስትምሃር፡ ነቲ ሓዲሽ ወለዶ የግልሎን፡ ካብ ዕድላት ስራሕ የርሕቖን ኣለዎም ብምባል ተመሃሮ ብግእዝ ክመሃሩን ንቋንቋታት ትግርኛን ዓረብን ክመልኩን ይደልዩዎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB--%E1%89%A5%E1%89%8B%E1%8A%95%E1%89%8B-%E1%8A%A3%E1%8B%B0-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%83%E1%88%AD-%E1%8C%BD%E1%89%A1%E1%89%9D-%E1%8A%B3-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%8A%BE%E1%8A%90-%E1%8C%8D%E1%8A%A5%E1%8B%9D-%E1%8C%88%E1%8B%B2%E1%8D%8D%E1%8A%AB-%E1%89%A5%E1%88%8B%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8C%A5%E1%89%83%E1%88%9D-%E1%8C%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%88%83%E1%88%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%A8%E1%88%B5%E1%8B%95%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%8A%A3%E1%8C%8B%E1%8B%AD%E1%88%BD-%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB\/5054465.html"} {"headline":"ኣብ ሻሸመኔ 6 ሰባት ብሕማም ኮሌራ ከምዘጥቅዖም ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ወረዳታት ሻሸመኔንን ሻላን ሽዱሽተ ሰባት ብሕማም ኮሌራከምዝተጠቕዑን ክልቲኦም ሕሹዎም ናብ ገዛውቶም ከምዝተልኣኹን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጥዕና ወረዳ ሻሸመኔ ገሊፆም። እቲ ሕማም ናብ ካልኦት ከባቢታት ከይላባዕን መድሓኒትን ኬሚካላትን ብምክፍፋል ናይ ምክልኻል ስራሕ ይካየድ ከምዘሎ ተፈሊጡ’ሎ። ለበዳ ሕማም ኮሌራ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ተላዒሉ ጉድኣት ኣውሪዱ ነይሩ ምንባሩ ይዝከር። ብኻልእ ዜና ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ሕማም ቺኩንጉኒያ ንምክልኻል ምምሕዳር እታ ከተማ ዝገበሮ ነገር የለን ክብልበቲ ሕማም ተታሒዙ ዝነበረ ክገልፅ ከሎ ወናኒ ሓደ ክሊኒክ ኸአ እቲ ለበዳ ገና ጽልውኡ ይውስኽ ኣሎ ኢሎም። ወናኒ ናይቲ ውልቂ ክሊኒክ ዶ\/ር ኣቤል መልካሙ ቅድሚ 10 ማዕልታት እቲ ሕማም ኣብ ዝተወሰነ ከባቢ እዩኔዩ፤ ሎሚ ግን ሓደስቲ ሕሙማት ምፍላጥ ተኻኢሉ’ሎ ክብሉ ንቪኦኤ ገሊፆም። ሎሚ መግለፂ ዝሃቡ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ዶ\/ር ፉኣድ ከዲር እውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝነበረ ቁፅሪ ሕሙማት ሎሚ ናብ 7,258 ክብ ኢሉ’ሎ ኢሎም። ፅባሕ ኣብ ምልእቲ እታ ከተማ ወፍሪ ፅርየት ከምዝካየድ ተገሊፁ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%BB%E1%88%B8%E1%88%98%E1%8A%94-6-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%95%E1%88%9B%E1%88%9D-%E1%8A%AE%E1%88%8C%E1%88%AB-%E1%88%9D%E1%8C%A5%E1%89%95%E1%8B%96%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5053206.html"} {"headline":"ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ሉኡላዊንት ሱዳን ተራኺቡ: ተዘራሪቡ","content":"ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዖስማን ሳሊሕን ፕረዚዳንታዊ ኣማኻሪ የማነ ገብረኣብን ዝሓቖፈ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ፕረዚደንት ሉአላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብዱል ፋታሕ ኣል-ቡርሓን ሎሚ ሓሙስ ኣብ ካርቱም ተራኺቦም ምዝርራቦም መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ኤርትራ ሻባይት ኣፍሊጣ። ኣብ ቤተ መንግስቲ ካርቱም ኣብ ዝተኻየደ ርክብ እቲ ልኡኽ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንሓባራዊ ርክባትን ዞባዊ ምትሕብባርን ኣበርኽቶ ዝገብር ታሪኻዊ ዓወት ህዝቢ ሱዳን ዝገልፅ ናይ እንኳዕ ሓጎሰኩም መልእኽቲ ኣረኪቡ። ፕረዚደንት ዓብዱል ፋታሕ ኣልቡርሓን ምሕያል ርክባት ምስ ኤርትራ እምነ- ኩርናዕ ፖሊሲ ወፃኢ ሱዳናዊያን እዩ ኢሎም ኣለው። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8B%E1%8B%AD-%E1%88%8D-%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%88%89%E1%8A%A1%E1%88%8B%E1%8B%8A%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A1-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A1\/5053200.html"} {"headline":"ሃገራዊት ጋንታ ኬንያ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ 2 ብ 1 ብምስዓር ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፋ","content":"ኣብ ኣስመራ ዝካየድ ዘሎ ውድድራት ሴካፋ ትሕቲ 15 ሎሚ ኤርትራን ኬንያን ብዘካየድኦ ግጥም ኤርትራ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ክትሓልፍ ኣይከኣለትን። ኣብ ኣስመራ ስታድየም ኣብ ዝቐጸለ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ሴካፋ፡ ጸወታ ንክዛዘም ሓንቲ ደቒቕ ምስ ተረፎ ጋንታ ኬንያ ብዘእተወታ ሸቶ ኤርትራ 1 ን 2 ተሳዒራ ናብ ፍርቂ-ፍጻመ ከይሓለፈት ተሪፋ`ላ። ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ ብሃገራዊት ጋንታ ሩዋንዳ 3 ብ 0 ተሳዕራ፣ናብ ፍርቂ ፍጻሜ ክትሓልፍ ኣይከኣለትን። ኣሰልጠንቲ`ታ ጋንታ፡ እኹል ምቅርራብ ዘይምግባሮም ሓደ ምኽንያት ምዃኑ ንቪኦኤ ገሊጾም። ኣብ ካልእ ጸዋታ ሶማሊያ ንሱዳን 2 ብ 1 ረቲዓታ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8C%8B%E1%8A%95%E1%89%B3-%E1%8A%AC%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8C%8B%E1%8A%95%E1%89%B3-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-2-%E1%89%A5-1-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8B%93%E1%88%AD-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%8D%8D%E1%8C%BB%E1%88%98-%E1%88%93%E1%88%8A%E1%8D%8B\/5053080.html"} {"headline":"በዓል ኣሸንዳ ኣብ ክልል ትግራይ ሎሚ ክኽበር ጀሚሩ","content":"በዓል ኣሸንዳ ኣብ ክልል ትግራይ ሎሚ ክኽበር ጀሚሩ:: ሎሚ ኣብ ከተማታት መቐለን ዓብዪ ዓዲን ብፍሉይ እቲ በዓል ምኽባር ዝጀመረ ኮይኑ ኣብ ኩሎም ከባቢታት እቲ ክልል እውን ይኽበር ኣሎ:: ኣብ ከተማ መቐለ እቲ በዓል ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን ፕረዚዳንት ፌድራላዊ ዴሞክራሲያዊ ሪፑብሊክ ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ተረኺቦም ኔሮም:: በዓል ኣሸንዳ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ትግራይ ኣብ ዝበዝሕ ከባቢታት ካብ 16 ክሳብ 18 ነሓሰ ዝኽበር ኮይኑ ኣብ ኣክሱም ድማ ዓይኒ ዋሪ ተባሂሉ 24 ነሓሰ እዩ ዝኽበር:: እቲ በዓል ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ባሎኒ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ስታድየም ብባህላዊ መጋይፅታትን ኣልባሳትን ዝማዕረጋ ደቂ ኣሸንዳ ምኽባር ተጀሚሩ ኣሎ:: ኣብቲ መኽፈቲ በዓል ዝተረኽባ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብቲ ዘስምዕኦ ዘረባ: በዓል ኣሽንዳ ባህላዊ ትሕዝትኡ ብምሕላው ብድምቀት እናተብዓለ ኣብዚ ሐዚ እዋን ክበፅሕ ኣብ ምግባር ኣዋልድ ትግራይ ንዝገበርኦ ኣበርክቶ ምስጋና ይግበአን ኢለን:: ኢትዮጵያ ከም ኣሸንዳ ዝበሉ ብዙሓት ሃይማኖታዊን ታሪኻዊን ቅርስታት ዝወነነት ኢያ ዝበላ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ፥ እቶም በዓላት ንሕብረተሰብ ዘለዎም ረብሓ ልዑል ከምዝኾነ አገንዚበን: ናብ ረብሓ ክንቕይሮም ይግባእ ኢለን:: ደቂ ኣስንትዮ ኣብ በዓል ኣሸንዳ ሰለስተ መዓልታት ብነፃነትን ይፀዋታን ልዑል ክብሪ ድማ ይወሃበን እዩ ዝበላ እተን ፕረዚደንት: እቲ ምኽባር ዓመት ሙሉእ ክንገብሮ ይግበኣና ኢለን:: በዓል ኣሸንዳ ልክዕ ከም በዓል መስቀል፣ ፊቼ ጨምበላላን ስርዓት ገዳን ኣብ ዩኔስኮ ክምዝገብ ልዑል ተስፋ ከምዘለወን ገሊፀን:: ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብወገኖም: በዓል ኣሸንዳ ንምኽባር ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ናብ ከተማ መቐለ ምምፀአን ልዑል ምስጋና ነቕርብ ኢሎም:: በዓል ኣሸንዳ ኣብ ዩኔስኮ ንምምዝጋብ ይግበር ዘሎ ፃዕሪ ንምዕዋት መንግስቲ ክልል ትግራይ ከምዝሰርሕ'ውን ሓቢሮም:: ንሶም ወሲኾም በዓል ኣሸንዳ እንትኽበር ድማ ጥቓዓት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምክልኻል ጠመተ ሂብና ክንሰርሕ ይግባእ ብምባል’ ውን ተዛሪቦም:: ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ውሑስ ሰላም ንምስፋን ይግበር ኣብ ዘሎ ፃዕሪ ልዑል ኣበርክቶ የካይዳ ከምዘለዋ: ደቂ ኣሸንዳ ምእንተ ፍትሒ፣ ሰላምን ምርግጋፅ ልምዓትን ሓድነትክን ሓሊኺን ክትከዳ ኣለክን እውን ኢሎም። እቲ በዓል ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈላለዩ ከተማታት ገጠር ወረዳታትን ይኽበር ዘሎ ኮይኑ: ኣብ ከተማ ዓቢዪ ዓዲ ይኽበር ኣብ ዘሎ እቲ በዓል ካብ ክልል ኣምሓራ ሰቆጣ ዝመፁ ጉጅለ ልኡኽ ይሳተፉ ኣለዉ:: ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ከተማ መቐለ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሩ በረራ ብምውሳኽ ንበዓል ኣሸንዳ 90 በረራታት ከምዘካየደ ምንጭታት ንቪኦኤ ገሊፆም:: እቲ በዓል በሰላማዊ መንገዲ ክዛዘም ጥቡቕ ሓለዋ ፀጥታ ይካየድ ድማ ኣሎ:: ኣቐዲሙ በዓል ኣሸንዳ\/ሻደይ\/አሸንድዬ\/ሶለል ጠሚቱ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ቀ\/ሚኒስትር ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ምምሕልላፎም’ውን ይዝከር:: ንሶም ኣብ መልእኽቶምኣብ ሃገርና ደቂ ኣንስትዮ ናብ ኣደባባይ ክወፃ ኣበርክቶ ካብ ዝነበሮም በዓላት ሓደ እዚ በዓል እዩ ኢሎም:: ኣደባባይ ብደቂ ተባዕትዮ ጥራሕ ተታሒዞም ኣብ ዝነበርሉ እዋን ኣሸንዳ\/ሻደይ\/ኣሸንድዬ\/ሶለል ዝኣመሰሉ በዓላት ምንባሮም ኣብ በረኻ ከምዝተረኸበ ዝሑል ፍልፍል ማይ ዝቑፀር እዩ ኢሎም :: No media source currently available \"ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ግጥምታተ: ዜመአንን ሳዕሲዕሲተን: ሓሰበን: ባህለንን ድልየትን ክገልፃ ብምግባር ዘይትካእ ግደ ኣበርኪተን ኢሎም:: ኣብ እዋን ሓጎስ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ኣፀጋሚ እዋናት እውን እናተኸበረ ዝመፀ በዓል እዩ’: ኣሓት ደቂ ኣንስትዮ ብዙሕ ሰብኣዊ ጥሕሰት ኣብዘለዎ ተኺቢበን: ዕንቅፋት እናጋጠመን ፅዕንቶ እናበፅሐን ዋላ ተስፋ ምቑራፅ ዝበሃል ኣይትንኽፈንን ኢሎም:: ብመሰረት እዚ \"ዘጋጠሙና ፀገማት ብምፍታሕ ልክዕ ከምእተን ጎራዙ ምዕባለና ነረጋግፅ” ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም። እቲ በዓል ክሳብ ድሕሪ ፅባሕ ክቕፅል እዩ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: ​ No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%B8%E1%8A%95%E1%8B%B3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%8E%E1%88%9B-%E1%8A%AD%E1%8A%BD%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%89%B0%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9\/5053002.html"} {"headline":"ሴካፋ: ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብሃገራዊት ጋንታ  ሩዋንዳ 3 ብ 0 ተሳዒራ","content":"ሎሚ ሳልሳይንን ወሳንን ጸወታ ዘካየደ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብሃገራዊት ጋንታ ሩዋንዳ 3 ብ 0 ተሳዕራ፣ናብ ፍርቂ ፍጻሜ ናይ ምሕላፍ ዕድላ ኣብቂዑ። ሃገራዊት ጋንታ ታንዛንያ ንሃገራዊ ጋንታ ደቡብ ሱዳን 4 ብ 0 ብ ገፊሕ ውጽኢት ስዒራታ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8C%8B%E1%8A%95%E1%89%B3-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8C%8B%E1%8A%95%E1%89%B3-%E1%88%A9%E1%8B%8B%E1%8A%95%E1%8B%B3-3-%E1%89%A5-0-%E1%89%B0%E1%88%B3%E1%8B%95%E1%88%AB\/5051511.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ብዘይ-ሕጋዊ ንግድን ኮንትሮባንድን ልዕሊ 130 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ንብረት ተታሒዙ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ዘይ-ሕጋዊ ንግድን ኮንትሮባንድን፡ ንሃገራዊ ቁጠባ`ታ ሃገር ዓቢይ ሃስያ የውርደሉ ከምዘሎ፡ በዓል- ስልጣን ጉምሩክ ኣፍሊጡ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ጥራሕ፡ ከም ወርቂ፡ ብረት፡ ሺጋራ፡ ሓሺሽን ካልኦትን ዝበሉ፡ ልዕሊ 130 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ንብረት ከምዝተታሕዘ`ውን ሓቢሩ`ሎ። ነዚ ሓበሬታ`ዚ ዝሃበ፡ ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን ጉምሩክ ኡሚ ኣባ ጃበል ሎሚ ንሪፖርተራት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ`ዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8B%AD-%E1%88%95%E1%8C%8B%E1%8B%8A-%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%8A%95-%E1%8A%AE%E1%8A%95%E1%89%B5%E1%88%AE%E1%89%A3%E1%8A%95%E1%8B%B5%E1%8A%95-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-130-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8B%B6%E1%88%8B%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%8C%8D%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%92%E1%8B%99\/5051491.html"} {"headline":"ግንባር ሓርነት ኦጋዴን፡ ኣብ ፖለቲካዊ ኢትዮጵያ ከም ሃገራዊ ፓርቲ ኾይኑ ከም ዝምዝገብ ኣፍሊጡ","content":"ግንባር ሓርነት ኦጋዴን፡ ኣብ ፖለቲካዊ ባይታ ኢትዮጵያ ከም ሃገራዊ ፓርቲ ኾይኑ ከም ዝምዝገብ ኣፍሊጡ። ኣቦ-መንበር`ቲ ግንባር ዓብዱራሕማን ሸይካዲ፡ ህዝቢ ብሄረ-ሰብ ሶማል፡ ንዝሓለፈ ሓደ ክፍለ ዘመን፡ ካብ ተሳትፎ ኢትዮጵያ ከም ዝግለል ተገይሩ ጸኒሑ`ዩ ድሕሪ ምባል፡ እዚ ኣካይዳ`ዚ ከብቅዕ ኣለዎ፡ ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ`ውን ከምኡ ብማዕርነት ዝሳተፍሉ ባይታ ክህሉ የገድሰና`ዩ ኢሉ። ኣብ ክልል ሶማል ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይድ ዝነበረ ኦ ኤን ኤል ኤፍ፡ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ተወዳዳሪ ፓርቲ ኮይኑ ክምዝገብ ኣብ ታሪኹ ንመጀመርያ ግዜ`ዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%88%93%E1%88%AD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A6%E1%8C%8B%E1%8B%B4%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A8%E1%88%9D-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%BE%E1%8B%AD%E1%8A%91-%E1%8A%A8%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5051425.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ንዑደት ዝኸደት እስራኤላዊት ምሟታ ተገሊጹ","content":"ናብ ክልል ዓፋር ከባቢ ዳሎል ንዑደት ምስ መሓዙታ ዝተጓዓዘት እስራኤላዊት መንእሰይ ሞይታ ምርካባ ተገሊጹ:: እታ እስራኤላዊት ዝሓለፈ ቀዳም ካብ ጉጅለኣ ዝጠፊአት ኮይና ሰንበት ድማ ህይወታ ሓሊፉ ተረኺባ:: ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ዓፋር ምኽንያት ሞት እታ እስራኤላዊት ልዕሊ ዓቐን ሙቐትን ፅምኢ ማይን ክኸውን ይኽእል’ዩ ኢሉ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD-%E1%8A%95%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8A%B8%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8A%A5%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%8A%A4%E1%88%8B%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B3-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5050065.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ሃገራዊ ምርጫ ክካየዶ ይኽእል? ቀዳማይ ክፋል","content":"ፈፃሚ ስራሕ ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ብዘካየዶ ኣኼባ ሃገራዊ ምርጫ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ እዋኑ ክካየድ ኣብ ምርድዳእ ከምዝበፅሐ ኣፍሊጡ’ሎ።እንተኾነ ግን ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ኢትዮጵያ፣ኣክቲቪስታት፣ተንተንትን ካልኦት ዜጋታትን ኣብ ዝቕፅል ዓመት ምርጫ ክካየድ እንተኾይኑ ርግፀኛታት ኣይኮኑን።እቲ ክርክርን ዘተን ቀፂሉ’ሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝነጥፍ ሃፍቶም በርሀ ሕዚ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ምርጫ ክካየድ ዘኽእል ኩነታት ከምዘየለ ብምግላፅ እቲ ሽግር ሕግን ስርዓት ስለ ዘይተኸበረ እዩ ይብል።ናይ ፌደራል መንግስቲ ሕግን ስርዓትን እንተድኣ ኣኽቢሩ ግን ክካየድ ይኽእል እዩ፤ክካየድ እውን ኣለዎ ይብል።‘’ምርጫ ብዝምልከት ንዝሓለፈ ከባቢ ሓደ ዓመት ካብ ዝተኸታተልኩዎ ኩነታትን ኣብ መሬት ብዘሎ ርድኢትን ቀፃሊ መረፃ ኣብ ግዚኡ ዝካየድ ኣይመስለንን’’ ክብል ሪኢቱኡ ሂቡ ሃፍቶም በርሀ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ብዘሎ ኩነታት ፀጥታን ሰላምን ሃገራዊ ምርጫ ዝቕፅል ዓመት ኣብ እዋኑ ክካየድ የብሉን፤ክናዋሕ ኣለዎ ዝብል ሪኢቶ ካብ ዘለዎም ሓደ ድማ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝንቀሳቐስን ንናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ ብቐረባ ዝከታተልን ኣክቲቪስት ነጋሲ በየን እዩ።ንሱ ‘’ኢትዮጵያ ሕዚ ብዘላትሉ ኩነታት ኣብ ባይታ ምርጫ ንምክያድ ዘኽእል ኣይኮነን’’ ይብል።ተቓወምቲ ምስ ህዝቢ ተራኺቦም ሓሳቦም ከፅርፁን ክንቀሳቐሱን ክሳብ ዝኽእሉ ናይ ምርጫ እዋን ክናዋሕ ኣለዎ ይብል ብምውሳኽ። ኣብ ስራሕ ዘሎ ሕገ መንስግቲ ኢትዮጵያ ምርጫ ኣብ እዋኑ ክካይድ ከምዘለዎ ይእዝዝ እዩ ዝበለ ድማ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ሕገ መንስግቲ ዝኾነ ኣቶ የማነ ካሳ እዩ።ንሱ ‘’እቲ ሕገ መንግስቲ ሓደ ፓርላማ ናይ ስራሕ ዘመኑ ሓሙሽተ ዓመት ከምዝኾነን ናይ ፓርላም ናይ ስራሕ ዘመኑ ቅድሚ ምውድኡ ሓደ ወርሒ ዝቕፅል ስልጣን ዝርከብ ፖለቲካዊ ውድብ ንምፍላይ መረፃ ተኻይዱ ይነፀር ኢሉ ብግልፂ ኣቐሚጡዎ’ሎ።ካብዚ ወፃኢ ምርጫ ንምንዋሕ ዝኾነ ይኹን ዓንቀፅ ኣየቐመጠን’’ ይብል ኣቶ የማነ።ምርጫ ንክልተ ሰለስተ ዓመት ስለዝተናውሐ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ሃውህው ምሉእ ብምልኡ ክፍታሕ ማለት ኣይኮነን፤ናይ ምርጫ ኮሚሽን ገለልተኝነት እውን ክረጋግፅ እዩ ማለት እውን ስለዘይኸውን ምርጫ ኣብ እዋኑ ክካየድ ኣለዎ ይብል። ድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/will-ethiopia-national-election-takes-place-in-time\/5049989.html"} {"headline":"ኣብ ኣስመራ ዝካየድ ዘሎ ውድድራት `ሴካፋ U-15` ሎሚ`ውን ቀጺሉ ውዒሉ","content":"ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ትሕቲ 15 ዓመት ሎሚ ኣብ ስታድየም ኣስመራ፡ምስ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዘካየደቶ ግጥም። ሓደ ብሓደ ተፈላልያ። ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ዝሓሸ ናይ ኩዕሶ ቁጽጽር እንተነብራ እኳ፡ 1 ብ ባዶ ተመሪሓ`ያ ንዕረፍት ወጺኣ።ድሕሪ ዕረፍት ግን ዝሓሸ ምንቅስቓስ ብምርዓራይ ንዝረኸበታ ፍጹም ቅላዕ፡ ተጻዋታይ ቁጽሪ 6 ናብ ጎል ብምቕያር 1 ብ 1 ተፈላልያ'ላ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%8B%B5%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%B4%E1%8A%AB%E1%8D%8B-u-15-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%89%80%E1%8C%BA%E1%88%89-%E1%8B%8D%E1%8B%92%E1%88%89\/5048575.html"} {"headline":"ክልል ትግራይ ምስ ክልል ዓፋር ዘዋስና ወረዳታት ሕፅረት ዝናብ ምግጣሙ ተገሊጹ","content":"ክልል ትግራይ ምስ ክልል ዓፋር ኣብ ዘዋስና ወረዳታት ኣብዚ ክራማት ሕፅረት ዝናብ ከምዘጋጠመ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን እቲ ክልል ኣፍሊጡ:: ገለ ሓረስቶት ካብ ወረዳ ሕንጣሎ ወጀራት ንድምፂ ኣሜሪካ ከምዝገለፅዎ ብምኽንያት እቲ ምቁርራፅ ዝናብ ኣብ ምህርቶም ጉዳኣት ክበፅሕ ከምዝኽእል እዩ:: ቢሮ ሕርሻ ልምዓት ገጠርን ክልል ትግራይ እቲ ሕፅረት ዝናብ ዝፈጥሮ ፅልዋ ንምንካይ: ዝዘነበ ማይ ናብ ግራት ንክውዕል ሓረስቶት ናይ ምልዕዓል ስርሓት ይፍፅም ከምዘሎ ገሊፁ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::​ No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD-%E1%8B%98%E1%8B%8B%E1%88%B5%E1%8A%93-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%8D%85%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%8C%A3%E1%88%99-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5048031.html"} {"headline":"ራእይ ኣፍሪቃውያን ኣብ ምዕባለ ስፖርትን ትምህርትን` ዝብል ፕሮጀክት ኣብ ኣስመራ ስርሑ ጀሚሩ","content":"ብሓሙሽተ ኤርትራውያን መንእሰያት ዝተመስረተን፡ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ መዳይ ሞያን ትምህርትን ፡እጃሙ ንከበርክት ዝሕልንን ፕሮጀክት፡ ኣብ ኣስመራ ስርሑ ከምዝጀመረ ተገሊጹ። እቲ `ራእይ ኣፍሪቃውያን ኣብ ምዕባለ ስፖርትን ትምህርትን` ዝብል ፕሮጀክት፡ ኣፍሪቃውያን ብቛንቁኦም ሞያውን ትምህርታውን ፍልጠት ንኽድልቡ ዝሕግዝ ስራሕ ይሰርሕ ምህላዉ መስረቲ`ቲ ፕሮጀክት ንቪኦኤ ሓቢሮም። እቲ ፕሮጀክት፡ ተጠቃምነቱን ሸፈንኡን ንምስፋሕ፡ ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ኡጋንዳን ኬንያን ቤት-ጽሕፈት ኸፊቱ ከምዘሎን፡ ኣገልግሎቱ ንምጅማር ተዳልዩ ከምዘሎን መስረቲ`ቲ ፕሮጀክት ወሲኾም ገሊጾም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AB%E1%8A%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%89%A3%E1%88%88-%E1%88%B5%E1%8D%96%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%80%E1%8A%AD%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%91-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9\/5048048.html"} {"headline":"ሌ\/ኮነሬል ቢንያም ተወልደ ብዋሕስ ክወፁ ዝተውሃበ ውሳነ ተኣጊዱ","content":"ፌደራል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ንምኽትል ዳይሬክተር መርበብ ድሕነት ኢንፎርመሽን ነበር ሌ\/ኮነሬል ቢንያም ተወልደ ዝሃቦ መሰል ዋሕስ ዓቃቢ ሕጊ ብዘቕረቦ ጥርዓን ብቤት ፍርዲ ሰማዒ ይግባይ ተኣጊዱ። ዓቃቢ ሕጊ ይግባይ ዝበለሉ መርትዖ ሒዙ ንክቐርብ ብዝተውሃቦ ትእዛዝ መሰረት ብዘቕረቦ መርትዖ ነቲ ናይ ዋሕስ መሰል ከምዘአገዶ ጠበቓ ተኸሳሲ ኣቶ ሃይለስላሰ ገብረመድህን ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም። ኣቶ ሃይለስላሴ ብምውሳኽ ብቤት ፍርዲ ዝተፈቐደ ናይ ዋሕስ መሰል ግቡእን ሕጋውን ከምዝነበረ ብምግላፅ እቲ እገዳ እውን ብሕጋዊ ኣገባብ ዝተፈፀመ እዩ ኢሎም። ዳይሬክተር መርበብ ድሕነት ኢንፎርመሽን ነበር ሌ\/ኮነሬል ቢንያም ተወልደ 26 ሰነ 2010 ዓ\/ም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝውዓሉ ኮይኖም ዓቃቢ ሕጊ ንዘቕረበሎም ዝተፈላለዩ ሓሙሽተ ናይ ብልሽውናን ካልኦትን ገበናት ኣብ ምክርኻር ይርከቡ።ጉዳዮም ን26 ጥቅምቲ 2012 ዓ\/ም ቆፀሮ ተዋሂቡዎም ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/former-deputy-derector-information-network-security-agency-colonel-biniam-tewelde-denied-bail\/5045443.html"} {"headline":"ኤርትራ: ዕላል ምስ ደራሲ ምርምራዊ መጽሓፍ 'ታሪኽ ሰንሰለት ወለዶታት' በረከት ኣማረ-2ይ ክፋል","content":"ብደራሲ በረኸት ኣማረ ዝተጻሕፈት “ታሪኽ ሰንሰለት ወለዶታት” ዘርእስታ መጽሓፍ፡ 24 ምዕራፋትን 626 ገጻትን ዘጠቓለለት ናይ ታሪኽ መጽሓፍ ኮይና፡ምትእስሳርን ምዝማድን ከምኡ’ውን ምንቅስቓስን ምስፋርን ቀዳሞት ወለዶታት ብሰንሰለታዊ መንገዲ እትትርኽ መጽሓፍ`ያ ። እዛ መጽሓፍ ተጀሚራ ክሳብ እትዛዘም ኣስታት 10 ዓመታት ከምዝወሰደትን፡ ልዕሊ 100 ሰባትን ዝተፈላለዩ መጽሓፍትን ብምውካስ ምርምርን መጽናዕትን ተኻይዱላ ዝተጻሕፈትን መጽሓፍ’ያ። እዛ መጽሓፍ ኣፋዊ ታሪኽን ስነ-ትውልድን፡ኣፋዊ ግጥሚ፡ኣተሓሳስባን ኣነባብራን ቀዳሞት ሕብረተሰባት፡ኣመዓባብብላን ኣፈታትሓን ግጭታት፡ መኸተ ኣንጻር ዝተፈላለዩ ወራራት፡መበቆላዊነትን መንነትን፡ብሓፈሻ ብዛዕባ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኩነታት ቀዳሞት ወለዶ ከፊላዊ ዛንታ ዝሓዘት መጽሓፍ ከምዝኾነት ደራሲኣ በረኸት ኣማረ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ`ሎ። ምስ ወኪልና ብርሃነ በርሀ ዝገበሮ ዕላል ኣብ ዝሓለፈ መደብ ቂሔ-ጽልሚ ቀዳማይ ክፋሉ ኣቕሪብናልኩም ኔርና- ካልኣይ ክፋል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%95%E1%88%8B%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%B2-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%9D%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%88%93%E1%8D%8D-%E1%89%B3%E1%88%AA%E1%8A%BD-%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%88%88%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8B%B6%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%9B%E1%88%A8-2%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%8D%8B%E1%88%8D\/5045447.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ወለድን ተማሃሮን ንትምህርቲ ላዕለዋይ ደረጃ ዝተዋህበ መእተዊ ፈተና  ቕሬታ የቕርቡ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ብቕድሚ ትማሊ ወግዓዊ ዝኾነ ውፅኢት ናብ ላዕለዋይ ትምህርቲ ዘእትው ፈተና ብተማሃሮን ወለድን ሰፊሕ ቅሬታ ቐሪቡ’ሎ።ናይ ክልላት ትግራይን ኦሮሚያን ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ ኣብ ሓደ ሓደ ኣብያተ ትምህርቲ እታ ሃገር ኣብ ከይዲ ፈተና ዝነበረ ፀገም ከይተመሓየሸ ውፅኢት ወግዓዊ ምዃኑ ግቡእ ኣይኮነን ኢሎም ኣለው።ዋና ዳይሬክተር ኤጄንሲ ሃገራዊ ፈተናን ምዘናን ትምህርቲ ኣቶ ኣርኣያ ገብረእግዛብሄር ስኮላሲቲክ ኣፕቲቱዩድ ናይ ዝተባህለ ዓይነት ፈተና ናይ ምእራም ፀገም ምንባሩ ተረጋጊፁ’ሎ ኢሎም።ንሶም ብተወሳኺ ካብ ኣብያተ ጽሕፈት ትምህርቲ ክልላት ኦሮሚያን ትግራይን ግን ዝበፅሐና ቅሬታ የለን ኢሎም። እቲ ኤጀንሲ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ኦሮሚያ፣ደቡብን ቤንሻንጉል ግሙዝን ናይ 848 ተማሃሮ ውፅኢት ብምሓዝ ኣብ ምጽራይ ከምዘለዎ’ውን ገሊፆም ኣለው።ኣብ ስኮላስቲክ ኣፕትቲዩድ ዝተፈጥረ ናይ ምእራም ሽግር ብምፍታሕ ዝተዓረየ ውፅኢት ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ወግዓዊ ከምዝኸውን እቶም ዋና ዳይሬክተር ኣፍሊጦም። ዝሰራሕናዮን ዝመፅአ ውፅኢትን ዘይራኸብ እዩ ዝበሉ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ተማሃሮ ዝተፈላለዩ ክልላት ሎሚ እውን ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ኤጄንሲ ሃገራዊ ምዘናን ፈተናን ትምህርቲ ናይ ጥርዓን ቅጥዒ ክመልኡ ውዒሎም ኣለው። ኣብ ከተማ ሃዋሳ ኣብ ዝርከብ ናይ ፍረሞዴል ኣካዳሚ ተማሃሪት ምዃና ዝገለፀት መክሊት ታደለ እቲ ውፅኢት ንዓይ ኣይገልፀንን ትብል። “ናተይ ናይ ስኮላስቲክ ኣፕቲዩድ ውፅኢት 32 እዩ ዝብል።ክዕረ ኣለዎ።ብመምህር ኣአሪመዮ ነይረ፤ካብ ክልተ ጌጋ ንላዕሊ ኣይነበረንን።” ካልኦት ተማሃሮ እውን ብተመሳሳሊ ኣፕቲዩድ ጥራሕ ዘይኮነስ ብኻልኦት ፈተናታት እውን እቲ ውፅኢት ንዕኣታቶም ከምዘይገልፆም ሓቢሮም። ቢሮ ትምህርቲ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ኣብ መስርሕ ናይ 12 ክፍሊ ፈተና ፀገም ስለዘለዎ መአረምታ ክግበረሉ ሓቲቱ’ሎ።ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ኦሮሚያ ዶ\/ር ቶላ በሪሶ እቲ መጠን እንተተፈለየ እውን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ሓዊሱ ኣብ ኣርባዕተ ክልላት 45 ኣብያተ ትምህርቲ ልዕሊ 5,000 ተማሃሮ ፈተና ብዘይግብኡ ዝተሰርሐ እዩ ኢሎም ። እቲ ጥርዓን ንኤጀንሲ ሃገራዊ ፈተና እንተፍለጡ እውን ናይ መአረሚ ስጉምቲ ኣይተወሰደን እውን ኢሎም። ንሶም ብተወሳኺ ፈተነ ካብ ዝወሰዱ ተማሃሮ ናይቶም 5,000 ተማሃሮ ውፅኢት ፀገም ከምዘለዎን ኣብ ዝተወሰነ ብሓደ፣ብኽልተ ወይ ብሰለስተ ዓይነታት ትምህርቲ ዝለዓለ ውፅኢት ዘምፅኡ ምህላዎን ተዓዚብና ኣለና ኢሎም። “ስለዚ ናይዞም 5,000 ተማሃሮ ውፅኢት ንጠቕላላ ውፅኢት ተማሃሮ ዘዛብዕ ስለዝኾነ እቲ ኤጀንሲ ነዚ ብዕቱብ ክከታተሎ ብኣካል፣ብምይይጥን ብደብዳበን ኣፍሊጥና ኢና።” ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ኣብ ናይ ውልቅን መንግስታውን ኣብያተ ትምህርቲ ዝተፈተኑ ብርክት ዝበሉ ናይ 12 ተማሃሮ ውፅኢቶም ትክክል ከምዘይኾነ ጥርዓን ንምቕራብ ትማልን ሎሚን ናብ ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ ምኻዶም ተገሊጹ’ሎ። ነቲ ጉዳይ ዝሓዙዎ ኣብ ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ ድሬዳዋ በዓል ሞያ ትምህርቲ እቶም ተማሃሮ ብኣካል ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ወይም ብኢንተርኔት ከቕርቡ ምዒዶም ኣለው። ና ዳይረክተር ኤጄንሲ ሃገራዊ ምዘናን ፍተናን ትምህርቲ ኣቶ ኣርኣያ ገብረእግዛብሄር ስኮላሲቲክ ኣፕቲቱዩድ ናይ ዝተባህለ ዓይነት ፈተና ናይ ምእራም ፀገም ምንባሩ ብምርግጋፅ እቲ ዝተፈጥረ ፀገም እውን ነቲ ፈተና ዝእርም ማሽን ዝተወሃበ ናይ ኮድ ቦታ ብምቅይያሩ እዩ ኢሎም። ካብ ቤት ጽሕፈታት ትምህርቲ ክልላት ትግራይን ኦሮሚያ ብዛዕባ ኣብ ዝተወሰኑ ክልላት ዝነበረ ኣወሃህባ ፈተና ጌጋ ከምዝነበረ ብምሕባር ክእረም ምሕታቶም ብዝምልከት ዝተሓተቱ ኣቶ ኣርአያ ገብረእግዛብሄር ኣቐዲምና ዝገለፅናዮ ባዕልትና እቲ ውፅኢት ክፀንሕ ዝተገብረሉ እውን እዚ እዩ ኢሎም። “እቲ ውፅኢት ቅድሚ ምግላፁ ካብ ክልላት ኣምሓራ፤ኦሮሚያ፣ቤንሻንጉል ግሙዝን ደቡብን ናይ 848 ተማሃሮ ውፅኢት ከምዝሓዝና ብወግዒ ኣፍሊጥና ኢና።ሕጂ ከም ሓዱሽ ነገር ይዝረበሉ ኣሎ።ካብ ትግራይ ይኹን ካብ ኦሮሚያ እውን ዝበፅሐና ጥርዓን የለን።ሕጂ ኢና ንሰምዕ ዘለና።” ንሶም ወሲኾም እቲ ዝተዓረየ ውፅኢት ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ መዓልታት ክወፅእ እዩ ኢሎም ኣለው።ዝኾነ ይኹን ሕቶ ከምዝቕበሉ ዝገለፁ ኣቶ ኣርኣያ ክሳብ ሕጂ ሽዱሽተ ሽሕ ተማሃሮ ብኣካል መፂኦም ኣመልኪቶም ኣለው ኢሎም።ሰለስተ ሽሕ ሰባት ድማ ኣብዘለውዎ ኮይኖም ብኦንላይን ኣመልኪቶም ኣለው ኣብዘለውዎ ኮይኖም ከመልክቱ ይኽእሉ እዮም ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8B%B5%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%83%E1%88%AE%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8B%E1%8B%AD-%E1%8B%B0%E1%88%A8%E1%8C%83-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%8B%E1%88%85%E1%89%A0-%E1%88%98%E1%8A%A5%E1%89%B0%E1%8B%8A-%E1%8D%88%E1%89%B0%E1%8A%93-%E1%89%95%E1%88%AC%E1%89%B3-%E1%8B%A8%E1%89%95%E1%88%AD%E1%89%A1\/5043925.html"} {"headline":"ቤት ፍርዲ ንም\/አካይዲ ስራሕ ሜቴክ ዝነበሩ ዘሕለፎ ውሳነ መሰል ዋሕስ ዓቃቢ ሕጊ ብምቕዋሙ ተአጊዱ","content":"ምኽትል ኣካያዲ ስራሕ ሜቴክ ኢንጂነሪንግ ኮርፐሬሽን ሓፂን ነበር ብርጋዴር ጀነራል ሓድጉ ገብረጊዮርጊስ ቤት ፍርዲ ብዋሕስ ክወፁ እንተወሰነ እውን ዓቃቢ ሕጊ ብዘቕረቦ ጥርዓን እቲ ውሳነ ከምዝተኣገደ ተፈሊጡ።ጠበቓ ተኸሳሲ በቲ ውሳነ ከምዘይተሓጎሳ ገሊፀን ኣለዋ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ሜቴክ ናይ ሓፂን ኢንጂነሪንግ ኮርፖሬሽን ናይ ሆሚች ኣሙኒሽን ኢንጂነሪንግ ምኽትል ኣካያዲ ስራሕ ዝነበሩ ብርጋዴር ጀነራል ሓድጉ ገብረጊዮርጊስ ብ50 ሽሕ ብር ዋሕስ ክፍትሑ ወሲኑ ኔሩ። ውሳነ ቤት ፍርዲ እቶም ጀነራል ብዋሕስ ክፍትሑ ከለው ካብ ሃገርን ካብ ዝነብርሉ ኣዲስ ኣበባ ከይወፁን ከምኡ እውን በብ 48 ሰዓታት ናብ ፌደራል ፖሊስ እናቐረቡ ከመልክቱን ዝብል’ዩ ኔሩ። በዚ ውሳነ ዘይተሰማምዐ ዓቃቢ ሕጊ ንፌደራል መጋባእያ ናይ ይግባይ ጥርዓን ብምቕራቡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዘሕለፎ ውሳነ ክሳብ 13 ነሓሰ 2011 ዓ\/ም ክእገደድ ኣዚዙ’ሎ። ናይ ተኸሳሲ ጠበቓ ወ\/ሮ ህይወት ሊላይ በቲ ውሳነ ከምዘይተሓጎሳ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፀን ኣለዋ።እቶም ጀነራል ቅድም ክብል ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ተነፊጎምዎ ዝነበረ መሰል ዋሕስ ብምቅዋም ንጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ፌደራል ሰማዒ ጥርዓን ኣብ ዘቕረብኦም ይግባይ ብ100,000 ብር ዋሕስ ኣብ ደገ ኮይኖም ጉዳዮም ክከታተሉ 30 ሓምለ 2011 ዓ\/ም ተወሲኑሎም ከምዝነበረ ጠበቕኦም ወ\/ሮ ሊያ ሓቢረን። ምኽትል ዳይሬክተር ዝነበሩ ብርጋዴር ጀነራል ሓድጉ ገብረጊዮርጊስ ኣብ ሜቴክ ተፈፂሙ ብዝብሃል ገበን ምጥፍፋእ ተጠርጢሮም ካብ 30 ጥቅምቲ 2011 ዓ\/ም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝርከቡ ይፍለጥ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%95%E1%88%9D-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%88%9C%E1%89%B4%E1%8A%AD-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A9-%E1%8B%98%E1%88%95%E1%88%88%E1%8D%8E-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8D-%E1%8B%8B%E1%88%95%E1%88%B5-%E1%8B%93%E1%89%83%E1%89%A2-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%89%95%E1%8B%8B%E1%88%99-%E1%89%B0%E1%8A%A0%E1%8C%8A%E1%8B%B1\/5042341.html"} {"headline":"ኣብ ኤርትራ ዞባ ጋሽ ባርካ ብዘጋጠመ ምውዳቕ ሄሊኮፕተር 4 ሰባት ሞይቶም","content":"ዝሓለፈ ሰኑይ 5 ነሓሰ 2019 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ንኡስ ዞባ መንሱራ ከባቢ እንጅሓይ ብዘጋጠመ ምውዳቕ ሄሊኮፕተር 4 ሰባት ሞይቶም።ካብቶም በቲ ሓደጋ ዝሞቱ እቶም 3 ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ካፕቴን ንጉሰ ናይዝጊ፡ምክትል ተለንተ ሙሴ ገብረሂወት፡ጁ\/ኤል ተወልደመድህን እስቲፋኖስ ክኾኑ ከለዉ እቲ ሓደ ድማ ኣባል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሰንጌንቲ ሽሻይ ተስፋማርያም እዮም። ስነ ስርዓት ቐብሪ እቶም ዝሞቱ ብዓርቢ 9 ነሓሰ ኣብ መካነ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%8C%8B%E1%88%BD-%E1%89%A3%E1%88%AD%E1%8A%AB-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%8B%B3%E1%89%95-%E1%88%84%E1%88%8A%E1%8A%AE%E1%8D%95%E1%89%B0%E1%88%AD-4-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/5040709.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ሕማም ቺኩን ጉንያ ምርኣዩ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ድሬዳዋ ቺኩን ጉንያ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ለበዳ ከምዝተለዓለ ቤት ጽሕፈት ጥዕና’ታ ከተማ ኣፍሊጡ።እቲ ምስ ደንጊ ዝቀራረብ ሕማም ቅድሚ ሎሚ ኣብ ክልላት ዓፋርን ሶማሌን ተራእዩ ከምዝነበረ ዝተሓበረ ኮይኑ ክሳብ ሎሚ ምስቲ ሕማም ዝመሳሰል ምልክታት ዝተርኣዮም 3,756 ሕሙማት ተፈሊዮም ምህላዎም እቲ ቤት ጽሕፈት ሓቢሩ’ሎ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ከተማ ድሬዳዋ ዶ\/ር ፋኣድ ከዲር እቶም ሕሙማት ኣብ ትካላት ጥዕና ድሬዳዋ ዝተሓከሙ ምዃኖም እንተኾነ ክሳብ ሕጂ በቲ ሕማም ዝሞተ ሰበ ከምዘየለ ሓቢሮም። ምልክት ናይቲ ሕማም ዝተርኣዮም ናብ ሕክምና ክኸዱ ዝመዓዱ ዶ\/ር ፉኣድ እቲ ሕማም ከም ዓሶ ብጣንጡ ስለዝመሓላላፍ ኣብ ድሬዳዋ ንሰለስተ ዓመታት ዘገልግሎ ብከሚካል ዝተኣለኸ 197 ሽሕ ዛንዚራ(ላምስያ) ከምዝተዓደለ ገሊፆም።ኩሉ ሰብ ከባቢኡ ከጽርይን ዝዓቖረ ማይ ምድፋን ከምዝግባእ ሰሰብሞያ ወሲኾም መኺሮም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8B%B5%E1%88%AC%E1%8B%B3%E1%8B%8B-%E1%88%95%E1%88%9B%E1%88%9D-%E1%89%BA%E1%8A%A9%E1%8A%95-%E1%8C%89%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%A3%E1%8B%A9-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5040513.html"} {"headline":"ሪፖርት፡ ተማሃሮ ካልአይ ደረጃ መዓስከር ሳዋ ንግዱድ ስራሕን ዓመጽን ይቃልዑ","content":"መብዛሕትኦም መንእሰያት አብ ናይ መወዳእታ ዓመት ካልአይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ክበጽሑ ኸለው ናይ መጽናዕቲ፥ ስፖርት፤ ከምኡ’ውን ኣብ ስነ ጥበባዊ መድረኻት ንምስታፍ ይቀራረቡ። ብአንጻሩ አብ ኤርትራ፤ ብሰንኪ ደረት ዘይብሉ ኣገልግሎትን ወታሃደራዊ ታዕሊም ዝተሓወሶ ቤት ትምህርቲን፤ መንእሰያት ኣካላዊን ስነ ኣእምሮኣዊን ማህሰይቲ ይወርዶም ኣሎ ክብል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት(Human Rights Watch) ኣብ ሓድሽ ዘውጽኦ ጸብጻብ ገሊጹ። እቲ 84-ገጽ ዝሓዘ “ናይ ትምህርቲ ዕድል ብምኽላእ ጊልያታት ከምንኽውን ይገብሩና ኣለዉ፤ ገደብ‐ኣልቦ ዕስክርና ብኸመይ ንመሰል ትምህርቲ መንእሰያት ኤርትራ ከምዝእግድ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ጸብጻብ ፤ ምስ 73 አቐዲሞም አብ ሳዋ ተማሃሮ ካልአይ ደረጃ ዝነበሩን መማህራንን ብዛዕባ አብ መዓስከር ዘሕለፍዎ ሂወት ቃለ መጠይቕ ብምክያድ ዝተሰነደ እዩ። ሰበ ስልጣንን ሓለፍቲን ንተማሃሮ ብናይ ወታሃደራዊ ኣመራርሓ ከምዝመርሑን ስራሕ ተገዲዶም ከምዘስርሑን ሁማን ራይትስ ዎች ይሕብር። ብኣገዳስነት ዘይብሉን ቐሊል ጥፍኣትን መቕጻዕቲ ንተማሃሮ ከምዝወርዶም እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ይገልጽ። መማህራን ብወገኖም ተገዲዶም ስለ ዝምህሩ ናይ ዘይምግዳስ መንፈስን ተደጋጋሚ ቡኩራት የርእዩ። ለቲሻ ቤደር ናይ ኣፍሪቃ ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ላዕላወይቲ ተማራማሪት እያ። እዚ ስርዓት ቤት ትምህርቲ መዓስከር ሳዋ ንተማሃሮን መማህራንን ሓገዝ ኣልቦ ስምዒት ከምዝስምዖም ይገብር ትብል። “አብ ናይ መጻኢ ሂወቶም ምቁጽጻር ዘይብሎም ኮይኑ ይስምዖም። ብፍላይ አብታ ናይ መወዳእታ ዓመት ካልአይ ደረጃ ክበጽሑ ከለው መንፈሶም ከም ተማሃራይ ንምዃን የጸግሞም። ብሕልፊ ኣብ ወታሃደራዊ ሃዋህው ከም ተማሃራይ ንምሕሳብ አጸጋሚ እዩ።” ኣብ 2003 ዓ.ም ተማሃሮ 12 ክፍሊ ትምህርቶም ኣብ ሳዋ ከምዝቕጽሉ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ። ካብቲ ጊዜ’ቲ ጀሚሩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣስታት 11,000 ክሳብ 15,000 ዝኾኑ ተማሃሮ ናብ መዓስከር ሳዋ ይኸዱ። ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት(HRW) እቲ መዓስከር ብትሪኮላታን ብዝተዓጥቁ ሰራዊት ሓለዋ ከምዝግበረሉን ከም ዓብይ ቤት ማእሰርቲ እዩ ክብል ኣብ ዘውጽኦ ሪፖርት ሓቢሩ። እቲ ሪፖርት ተማሃሮ ናብ መዓስከር ሳዋ ንኸይከዱ ትምህርቶም የቋርጹ ከምዝገብር ይሕብር። ብተወሳኺ ተማሃሮን መማህራንን ሂወቶም ኣብ ሓደጋ ብምእታው ካብ ሃገር ከምዝስደዱ’ውን ይገልጽ። ኣቐዲሞም ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝተማሃሩ ወታሃደራዊ ትልሚ፤ ካብ መጽለሊኦም ወጻኢ ንሕሉፍ ዋዒ ዘለዎ ኩነታት ኣየር፡ ንሕጽረት መግብን ማይን ከምዝቃልዑ ይሕብሩ። ሓደ ወዲ 19 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ ንተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ብዝሃቦ ቃል፤ “ሳዋ ገሃነም እዩ። ብዝተኸአሎም መጠን ንኽትገድፎ ይደፋፍኡኻ።” ብተወሳኺ “ ካብ ፈለማ ወርሒ ደወል ሰዓት 5 ምስተቃጨለት ካብ ድቃስና ብምትንሳእ ፤ ጉያ ናብ ቤት ንጽህና፡ ሓሙሽተ ደቒቕ ይወሃበና። ሓሙሽተ ደቒቕ ንዲቪዛ ምቅያር ነዚ ብዝተወሃበካ ጊዜ እንተዘየማሊእካ መቕጻዕቲ ይስዕብ” ይብል። ሚንስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ነዚ ሪፖርት ሁማን ራይት ዎች ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ብትሪ ከምዚ ክብሉ ነጺጎሞ። \"ግቡእ ኣቃውማ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኣሰራርዓ ምክልካል ኤርትራ ፡ ቅድሚ ኹሉ መሰልንን ስልጣንን መንግስትን ህዝቢን ኤርትራ'ዩ። እቲ ንምምጽዳቕ ዝህብዎ ምኽሪ ነቲ ሕቡእ ኣጀንድኦም ክኽውሎ ዝክኣል ኣይኮነን።” ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት(HRW) መማህራን ከም ኣብ መጻወድያ ዘለው ኮይኖም ከምዝስምዖም ገሊጹ። ሓደ መምህር ነቲ ኩነታት ክገልጽ ከሎ “ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ ፊዚክስ መምህር ኮንኻ እንድሕር ጀሚርካ፤ ኣኺሉካ ፊዚክስ መምህር ንዘልኣለምካ ትኸውን” ክብል ነቲ መንፈስ ምዕጻው ዕድል ገሊጹ። “መማህራን ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ መዓስከር ተገዲዶም ከምዝምህሩ ገሊጾምልና። ዋላ’ኳ ክፍነው እንተጸዓሩ ከምዘይሰለጦም ይሕብሩ።” ኣብ መወዳእታ ሰላም ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ዝመጽእ እዚ ኣሰራርሓ ከም መመኽነይታ ክቕጽል ከምዘይብሉ እቲ ኣካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ይላቦ። መንግስቲ ገደብ ናይ ግዜ ሂቡ ከጣይስ ክጅምር ተማሃሮ ካብ ውትህደርና ወጻኢ ትምህርቶም ክመሃሩ ተወሳኺ ለበዋ ኣቕሪቡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AA%E1%8D%96%E1%88%AD%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%83%E1%88%AE-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A0%E1%8B%AD-%E1%8B%B0%E1%88%A8%E1%8C%83-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%B5%E1%8A%A8%E1%88%AD-%E1%88%B3%E1%8B%8B-%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%8B%B1%E1%8B%B5-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95%E1%8A%95-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%89%83%E1%88%8D%E1%8B%91\/5039340.html"} {"headline":"ምዝዛም ምብጻሕ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ሒጃን ዒድ ኣድሓን ተኸቢሩ","content":"ኣብ ዓመታዊ ምብጻሕ ሒጃ ዝተሳተፉ ኣመንቲ እስልምና ሓጥያት ንምርሓቕ ብዝብል ንሰይጣን ኣብ ልዕሊ ዝውክሉ ሰለስተ ዓንድታት ትማሊ ሰንበት ኣእማን ደርቢዮም።መበል 1440 በዓል ኣል-ኣድሓ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዊሱ ኣብ ዙሪያ ዓለም ትማሊ ሰንበት ተኸቢሩ። ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ኣመንቲ እስልምና ንሓሙሽተ መዓልትታ ኣብዝተኻየደ ሃይማኖታዊ ምብጻሕ ሒጃ ኣብ መካ ስዑዲ ዓረብ ተሳቲፎም ኣለው። ሪያድ ኣብ ሕሉፍ ዓመታት ዝነበረ፡ ንኣብነት ኣብ 2015 ኣ\/ፈ ኣስታት 2,300 ኣመንቲ ብፅቅቅጥ ዝተቐትልሉ ተመሳሳሊ ሓደጋ ከየጋጥም ንኣመንቲ ዝሕግዙ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት መዲባ’ላ። ነቲ ስነስርዓት ዝመርሕ ሚንስትር መሓመድ ሳላሕ ቢንታን ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ ቃል መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ኣመንቲ ዝጥቀሙሎም መሰረተ ልምዓታት ንምምሕያሽ ብዙሕ ገንዘብ ከምዝመደበ ገሊፆም። “ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣመንቲ ካብ ሓደ ቦታ ናብቲ ካልእ ዘመላልስ መጎዓዚያ ባቡር ንምህናፅ ብዙሕ ገንዘብ መዲቡ ንመጻኢ እውን 26 ሚሊዮን ዶላር ንምምዳብ መንግስቲ ትልሚ ኣውፂኡ’ሎ” ኢሎም። ምብጻሕ ሒጃ ኩሉ ኣማኒ እስልምና ጥዕንኦም ሕሉው ክሳብ ዝኾነን ክጉዓዙ ክሳብ ዝኽኣሉን እንተወሓደ ኣብ ህይወቶም ሓደ ግዜ ክፍፅሙዎ ዘለዎም ካብ ሓሙሽተ ዓንድታት እስላም ሓደ እዩ። ብዝተሳሰረ ዜና ምብቃዕ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ሒጃ ምስ በዓል ዒድ ኣል-ኣድሓ ብምግጣሙ ኣመንቲ ኣብ ዙሪያ ዓለም ነቲ በዓል ትማሊ ሰንበት ኣኽቢሮምዎ ኣለው።በዓል ኣል-ኣድሓ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምዝተኸበረ ካብ መርበብ ሓበሬታታት ፋና ብሮድ ካስቲንግን ሻባይትን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ገሊፆም። ብፍላይ ድማ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝርከብ ስታዲዮምን ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ባሕቲ መስከረምን ኣመንቲ፣መራሕቲ እስልምናን ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ኣብ ዝተረኸብሉ ብድምቀት ከምዝተኸብረ ተፈሊጡ’ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8B%9B%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%88%99%E1%88%BD%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%92%E1%8C%83%E1%8A%95-%E1%8B%92%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%B5%E1%88%93%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%89%A2%E1%88%A9\/5039246.html"} {"headline":"ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 2012 ክካየድ ዝተወጠነ ሃገራዊ ምርጫ ሕገ መንግስቲ ብዘቐመጦ ጊዜ ክካየድ ምውሳኑ ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 2012 ዓ\/ም ክካየድ ዝተወጠነ ሃገራዊ ምርጫ ሕገ መንግስቲ ብዘቐመጦ ክኻየድ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ምውሳኑ ተሓቢሩ።ካብዚ ዝተፈለየ መርገፂ ዘለዎም ኣካላት ብድምፂ እንተስዒሮም ግን ኢህወዴግ እቲ ምርጫ ይናዋሕ ንዝብል ሓሳብ ከምዝግዛእ ድልው እዩ ክብሉ ኣባል ፈፃሚ ስራሕን ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ሓላፊ ጉዳያት ፖለቲካዊ ፓርትታትን ስቪክ ማሕበራትን ኣቶ ፈቃዱ ተሰማ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓቢሮም። ንኽልተ መዓልታት ዝተኻየደን ዝሓለፈ ዓርቢ ዝተዛዘመ ኣኼባ ፈፃሚ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ህዝብታት ወያናዊ ዴሞክራሲ ግንባር \/ኢህወዴግ\/ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት እታ ሃገር ብምውሳን ኣኼብኡ ዛዚሙ’ሎ። ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ካብ መንጎ ዝተዘራረበሎም ኣጀንዳታት ሓደ ግዜ ሰሌዳ ምርጫ ምዃኑ ኣቶ ፈቃዱ ገሊፆም ኣለው። “ኢህወዴግ ናይ 2012 ምርጫ ሕገ መንግስቲ ብዘቐመጦ መሰረትን ብዝተቐመጠሉ ግዜን ክካየድ ኣለዎ ዝብል ፅኑዕ መርገፂ ኣለዎ።” ኣቶ ፈቃዱ ብምስዓብ እቲ ምርጫ ንኢህወዴግ እንታይ ውፅኢት ከምፀአሉ እዩ ዝብል ዘይኮነ ንሕገ መንግስቲ መሰረት ገይሩ ኣብ እዋኑ ክካየድ ፅኑዕ እምነት ኣለዎ ኢሎም። “ኢህወዴግ ሕገ መንግስቲ ንክኽበርን ፅኑዕ እምነት ስለዘለዎ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ መርገፂ ሒዙ’ሎ።ካልኦት ንምርጫ ዝውስኑ ኣካላት ክህልው እዮም።ነቲ ምርጫ ዝውስኑ ኣካላት ብድምፂ ዝስዕሩዎ እንተኾይኖም ግን ነቲ ድምጺ ክቕበሎ’ዩ።” ኣቶ ፈቃዱ ምርጫ ዝውስኑ ዝበሉዎም ኣካላት ብሽም ኣይረቑሑዎምን። ንሶም ውህደት ፓርትታት ዝምልከት ህብረ ብሄራዊ ውድብ ሓደ ውፁእ ሃገራዊ ፓርቲ የድልዮ እዩ ዝብል ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ እቲ መፅናዕቲ ከምዝተወድአን ብኣሓትን ኣጋር ውድባትን ልዝብ ይካየደሉ ከምዘሎ ሓቢሮም።እቲ ዝርርብ ምስተወድአ ናብ ፈፃሚ ስራሕን ቤት ምኽሪን ኢህወዴግ ክቐርብ እዩ ኢሎም። ኣቶ ፈቃዱ ተሰማ ኣብ መንጎ ህውሓትን ኣዴፓን ዝተፈጥረ ምስሕሓብ እውን ብናይ ኢህወዴግ ኣገባብ ኣፈታትሓ ኣብ ክንዲ ክፈትሑ ናብ ደገ መውፅኦም ጌጋ ተባሂሉ ከምዝተገምገመን ንመጻኢ ክእረም ከምዘለዎን ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ኢሎም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%88%E1%8D%83%E1%88%9A-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8A%A2%E1%88%85%E1%8B%88%E1%8B%B4%E1%8C%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-2012-%E1%8A%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%8C%A0%E1%8A%90-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%88%95%E1%8C%88-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%89%90%E1%88%98%E1%8C%A6-%E1%8C%8A%E1%8B%9C-%E1%8A%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%91-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/5039206.html"} {"headline":"ሚ. ጸዓትን ማዕድንን ጀነራል ስብሓት ኤፍረም፡ ሕክምንኡ ወዲኡ ናብ ኣስመራ ከም ዝተመልሰ ተገሊጹ","content":"ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ኣስመራ መንነቱ ብዘይተፈልጠ ዕጡቕ ተሃሪሙ ኣብ ኢማራት ዓረብ ክሕከም ከምዝጸንሐ ዝንገረሉ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም፡ ናብ ሃገሩ ከም ዝተመልሰ ይግለጽ ኣሎ። ሚንስተር ጸዓትን ማዕድንን ጀነራል ስብሓት ኤፍረም፡ ሕክምንኡ ወዲኡ ናብ ኣስመራ ከም ዝተመልሰ ዝገለጸ፡ ካብ መጀመርያ ኣትሒዙ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ሓበሬታ ክህብ ዝጸንሐ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጃፓን፡ ኣቶ እስቲፋኖስ ኣፈወርቂ`ዩ። ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ “ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ኣብ ወጻኢ ሃገር ክከታተሎ ዝጸንሐ ሕክምና ብዕዉት ኩነታት ዛዚሙ ምስ ዝፈትዎም ስድራቤቱ ናብ ኣስመራ ምምላሱ ብምስምዐይ ሕጉስ`የ” ዝብል ኣስፊሩ`ሎ። ኣብ ልዕሊ ጄነራል ስብሐት ኤፍሬም ተፈጺሙ ዝተባህለ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ከባቢ ገዝኡ ኣድብዩ ብዝጸንሐ ሰብ ከም ዝተፈጸመን፡ እቲ ውልቀሰብ ብኡ ንብእኡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝወዓለን፡ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ`ቲ እዋን ምሕባሩ ይዝከር። ጄነራል ስብሓት ድሕሪ`ቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ሓደ ሽሙ ዘይተገልጸ ሆስፒታል ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ክሕከም ከም ዝጸንሐ ክግለጽ ጸኒሑ`ዩ። መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ`ቲ ጀነራል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኾነ፡ ሕክምና ወዲኡ ብዛዕባ ምምላሱ፡ ብወግዒ ዝበሎ ነገር ዛጊት የለን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A-%E1%8C%B8%E1%8B%93%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%9B%E1%8B%95%E1%8B%B5%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8C%80%E1%8A%90%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%89%A5%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%8D%8D%E1%88%A8%E1%88%9D-%E1%88%95%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%8A%A1-%E1%8B%88%E1%8B%B2%E1%8A%A1-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8A%A8%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B0-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5038865.html"} {"headline":"ዓለምለኸ ምንቅስቓስ ንሓርነት እሱራት ፖለቲካ ተጋሩ ዝተባህለ ምንቅስቓስ ተጣይሹ","content":"እዚ ድማ እሱራት ተጋሩ ሓራ ክወፅኡን \"ብዛዕብኦም ዝተነዝሐ ዘይሓቃዊ\" ዝብሎ ሓበሬታ ንምስትኽኻል እቲ ምንቅስቓስ ከምዝሰርሕ እዩ ካብ ኣተሓበበርቲ ሓደ ኣይተ ጌታቸው ኣረጋዊ ሎማ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓቢሮም:: ልዕሊ 1500 ተጋሩ ብመንነቶምን ብምኽንያት ፖለቲካን ኣብዚ ሐዚ እዋን ተኣሲሮም ይርከቡ ዝበለ ኣይተ ጌታቸው ትግራይ ንምድኻም መንነቶም ተሓርዩ እዮም ተኣሲሮም ይብል:: ፀረ ትግራይ ኮይኑ መንግስቲ ይሰርሕ ዝበለ ድማ ካብ ኣተሓባበርቲ እቲ ምንቅስቓስ ኣይተ ዓንደማርያም ዮሃንስ እዩ:: መንግስቲ ብናይ ባዕሉ ማዕኸናት ዜና ኣቢሉ ጉዳዮም ኣብ ከይዲ ፍርዲ ዘሎ ተጋሩ ሰናዳዊ ፊልሚ ብምስራሕ ምስሊ ክዛባዕ ገይሩ እዩ ኢሉ:: ብመሰረት እዚ ድማ ኢትዮጵያውያን ኮነ ማሕበረሰብ ዓለም እውን ብዛዕባ ትግራይ ሓቃዊ ምስሊ ክህልዎ እቲ ምንቅስቓስ ክሰርሕ እዩ ኢሉ:: ኣብዚ ጉዳይ ዝሓተትናዮም ሓላፊ ኮምዩኒኬሽን ዓቃቢ ሕግ ኢትዮጵያ ኣይተ ዝናቡ ቱኑ: ዓቃቢ ሕጊ ምስ ፖሊስ ብምኻን ልዕልነት ሕጊ ንምኽባር መረዳእታ መሰረት ዝገበረ ስራሕቲ ይፍፅም ኣሎ ኢሎም:: ብሄር ፈሊኻ ሕጊ ንምኽባር ንቀሳቐሰሉ ምኽንያት የለን ብምባል ድማ ተዛሪቦም:: No media source currently available \"ሕጊ ንምኽባር ብምባል ኣብ ተመሳሳሊ ናይ ስልጣን ቦታ ዝነበሩ ተወለድቲ ትግራይ ዘይኮኑ ኣይተኣሰሩን እዚ ብሄር እናፈለኻ ጥቓዓት እምበር ሕጊ ምኽባር ኣይኮነን\" ዝብል ሓሳብ ምላሽ እንትህብሉ: መረዳእታ መሰረት ዝገበረ እዩ ክሲ ዝምስረት ኢሎም:: በቐፃሊ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕቲ ሓይሉ ክቕፅል እዩ ኢሎም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%B5%E1%89%93%E1%88%B5-%E1%8A%95%E1%88%93%E1%88%AD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A5%E1%88%B1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB-%E1%89%B0%E1%8C%8B%E1%88%A9-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%88-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%B5%E1%89%93%E1%88%B5-%E1%89%B0%E1%8C%A3%E1%8B%AD%E1%88%B9\/5036425.html"} {"headline":"ፕረ. ሶማሌ ክልል ነበር ጉዳዮም ዝረአየሉ ቤት ፍርዲ ነጻን ገለልተኛን ኣይኮነን ብምባል ንጠበቓታቶም ኣፋንዮም","content":"ፕረዚደንት ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ሶማሌ ዝነበሩ ኣቶ ኣብዲ መሓመድ ዑመር ጉዳዮም ዝረኣየሉ ዘሎ ቤት ፍርዲ ነፃን ገለልተኛን ኣይኮነን ብምባል ንጠበቓታቶም ብምስንባት ከምዘይከራኸሩ ሎሚ ዓርቢ ገሊፆም። ላዕለዋይ ፈደራል ቤት ፍርዲ ንኣቶ ኣብዲን ካልኣይቲ ተኸሳሲት ዘምዘም ሓሰን ዓቃቢ ሕጊ ኣመሓይሹ ንዘቕረቦ ክሲ ተቓውሞ ከቕርቡ ሓቲቱዎም ዘምዘም ሓሰን ተቓውሞ ከምዘይብለን ገሊፀን። ጠበቓታት ኣቶ ኣብዲ ግን ዓቃቢ ሕጊ 213 መሰኻኽር ከምዘቕረበን ይኹን እምበር መንነት ናይቶም መሰኻኽር ከምዘይፈልጡን ምግላፅ ምስጀመሩ እቲ ቤት ፍርዲ እዚ ምስክር ክስማዕ ከሎ ክቐርብ ከምዝነበሮ ኣረዲኡ።ኣቶ ኣብዲ ኢዶም ብምውፃእ ኣብ ልዕሊ እቲ ቤት ፍርዲ ዝነበሮም ተሪር ተቓውሞ ኣስሚዖም። ናቶም ይኹን ናይ ጠበቓታቶም ናይ ምዝራብ መሰል ከምዝተኸልከለ፣ ፍትሓዊ ፍርዲ ክረክብ እየ ኢሎም ከምዘይኣምኑ፣ጉዳዮም ነፃን ገለልተኛን ኮይኑ ክሪአለይ እዩ ኢሎም ከምዘይኣምኑ ንቤት ፍርዲ ተዛሪቦም። እቲ ቤት ፍርዲ ብወገኑ ዕድል ይህቦም ከምዘሎ ብምሕባር ነፃን ገለልተኛን ኮይኑ ፍርዱ ከምዝህብ ገሊፁ’ሎ። ኣቶ ኣብዲ መሓመድ ብወገኖም ናይ ክሲ ተቓውሞ ከምዘይቕርቡን ከምዘይሟገቱን ጠበቓታቶም እውን ከምዘሰናበቱን እንተገለፁ እውን እቲ ቤት ፍርዲ ግን ጥርዓኖም ናብ ቤት ፅሕፈት ንከቕርቡ ንጠበቓታቶም ትእዛዝ ብምሃብ ን13 ነሓሰ 2011 ዓ\/ም ቆፀሮ ሂቡ’ሎ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8C-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%8A%A0%E1%8B%A8%E1%88%89-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%90%E1%8C%BB%E1%8A%95-%E1%8C%88%E1%88%88%E1%88%8D%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8A%AE%E1%8A%90%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%8A%95%E1%8C%A0%E1%89%A0%E1%89%93%E1%89%B3%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%8D%8B%E1%8A%95%E1%8B%AE%E1%88%9D\/5036370.html"} {"headline":"ንክልተ መዓልታት ክካየድ ዝቐነየ ኣኼባ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ተዛዚሙ","content":"ፈጻሚ ስራሕ ኢህወደግ ንክልተ መዓልታት ዘካየዶ ኣኼባ ሎሚ ኣማስይኡ ዛዚሙ`ሎ። ናይ`ቲ ኣኼባ ኣካይዳ ይኹን ውጽኢት፡ ዛጊት በቲ ግንባር ዝወጸ መግለጺ የለን። እቲ ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣብ ዘስፈሮ መግለጺ፡ ኣብ እዋናውን ሃገራውን ኣጀንዳታት ዓሙቕ ግምገማ ኣካይዱ ቀጻሊ ትልምታቱ ከም ዘቐምጥ ኣፍሊጡ ኔሩ`ዩ። ድሕሪ`ቲ ኣብ ሰነ 15 ኣብ ባህርዳር ዘጋጠመ ቕትለት ላዕለዎት መራሕቲ ክልል ኣምሓራን፡ ኣብ መንጎ ሕወሓትን ኣዴፓን ዝተራእየ ዝኸረረ ምስሕሓብ ኣብ ኣድባባይ ድሕሪ ምውጽኡን ንመጀመርያ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወደግ፡ ብዛዕባ`ቲ ምስሕሓብ ይኹን ብዛዕባ ካልእ እዋናዊ ጉዳያት ዘመሓላለፎ ውሳነ ይሃሉ ኣይሃሉ ዛጊት ዝበጸሓና ዜና የለን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%8A%90%E1%8B%A8-%E1%8A%A3%E1%8A%BC%E1%89%A3-%E1%8D%88%E1%8C%BB%E1%88%9A-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8A%A2%E1%88%85%E1%8B%88%E1%8B%B2%E1%8C%8D-%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%99\/5036116.html"} {"headline":"ዕላል  ምስ ስነ ጥበባዊያን ዓንዲት ዕቑባይን እስጢፋኖስ ጌታሁንን (1ይ ክፋል)","content":"ስነ ጥበባዊ ዓንዲት ዕቑባይን ፕሮዲይሰር እስጢፋኖስ ጌታሁንን ኣብ ዝተራሓሓቐ ስፍራ ዝነብሩን ሓደ ኣረኣእያን ዝወነኑን ኮይኖም ኣለው። ልዕሊ ሰላሳ ዜማታት ዝሰርሐ ዓንዲት ዕቑባይ ተቐማጢ ከተማ ለንደን ክኸውን ከሎ ናይ ባዕሉ ስቱድዮ ሰሪሑ ንሙዚቃታቱ ለይቲን ቀትሪን ዝነጥፍ ከምዝኾነ ይዛረብ። ኣብ መቐለ ዝርከብ እስጢፋኖስ ጌታሁን ብወገኑ ኣቐዲሙ ኣብ ሂፕ-ሃፕ ወይ ሬገ ቅዲ ክደርፍ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ስቱድዮ ሙዚቃ ወኒኑ ምስ ምኩራትን ፍሉጣትን ስነ ጥበባዊያን ኣብ ስራሓት ሙዚቃዊ ቪድዮ ተጸሚዱ ኣሎ። ንክልቲኦም ስነ ጥበባዊያን ኣጋይሽ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ጌርናዮም ኣለና። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%95%E1%88%8B%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%8C%A5%E1%89%A0%E1%89%A3%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%93%E1%8A%95%E1%8B%B2%E1%89%B5-%E1%8B%95%E1%89%91%E1%89%A3%E1%8B%AD-%E1%8A%A5%E1%88%B5%E1%8C%A2%E1%8D%8B%E1%8A%96%E1%88%B5-%E1%8C%8C%E1%89%B3%E1%88%81%E1%8A%95%E1%8A%95-(1%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%8D%8B%E1%88%8D)\/5033239.html"} {"headline":"ካልኣይ ዓለምለኸ ፌስቲቫል ዳያስፖራ ተጋሩ","content":"ካልኣይ ዓለምለኸ ፌስቲቫል ዳያስፖራ ተጋሩ፣ 30 ሓምለ 2019 ዓ.ም ተዛዚሙ። እቲ ፌስቲቫል ‘ሓድነት ዳያስፖራ ተጋሩ ንሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቃል\/ቴማ እዩ ተሳሊጡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A3%E1%8B%AD-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%8D%8C%E1%88%B5%E1%89%B2%E1%89%AB%E1%88%8D-%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5%E1%8D%96%E1%88%AB-%E1%89%B0%E1%8C%8B%E1%88%A9\/5033205.html"} {"headline":"ንከተማ ሃዋሳ ዝሕልው ወታሃደራዊ እዚን ኣኽበርቲ ሰላምን ልዝብ ምክያዶም ተገሊጹ","content":"ነበርቲ ከተማ ሃዋሳ ንገበነኛታት ንሰላም’ታ ከተማ ዝሕልው ዘሎ ወታደራዊ እዚ ኣሕሊፎም ከምዝህቡ ምግላፆም ተሓቢሩ።እቲ ወታደራዊ እዚ ሎሚ ምስ ኣባላት ኣኽበርቲ ሰላም ሃዋሳ ድሕሪ ምዝታዮም ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣብታ ከተማ ልዑል ስርዓት ኣልቦነት ምህላው ገሊፁ’ሎ። ካብ መንጎ’ቶም ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ነበርቲ ኸተማ ኣቶ ኣስቻለው ድእሼ ኣብ ህዝቢ ሲዳማ ኾነ ከተማ ሃዋሳ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ዝተፈጥረ ህውከት ወለዲ ብደቖም ሓላፍነት ክወስዱን ይቕረታ ክሓቱን ኣለዎም ኢሎም። ኣብ ከተማ ሃዋሳ ኣተሓባባሪ ወታሃደራዊ እዚ ኮነሬል ተኽለብርሃን ገብረመድህን ግን ንገበነኛታት ንምሽፍፋን ዝግበር ጻዕሪ ኣድላይ ኣይኮነን ብምባል ምስ’ቲ ሓሳብ ኣይተሰማምዓን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%83%E1%8B%8B%E1%88%B3-%E1%8B%9D%E1%88%95%E1%88%8D%E1%8B%8D-%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%A5%E1%8B%9A-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%8D%E1%8B%9D%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8B%AB%E1%8B%B1-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5033068.html"} {"headline":"ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኻት ስዑዲ ዓረብ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ፡ ተዘራሪቡ","content":"ብኣዛዚ ሓይልታት ሕብረት ኣንጻር ግብረ ሽበራ ስዑዲ ዓረብ ሌተናል ጀነራል ልዑል ፋሃድ ቢን ቱርኪ ቢን ዓብደልዓዚዝ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኻት ትማሊ ሶሉስ ኣብ ኣስመራ ወግዓዊ ዑደት ብምክያድ ምስ ፕረዚደት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ምዝርራቡ ተገሊጹ። ብመሰረት ሓበሬታ መሓውራት ዜና ውሽጢ ሃገር ኤርትራ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ጉዳያት ምምዕባል ክልቲኣዊ ዝምድናን ምኽባር ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪን ከምዝዘተዩ ተሓቢሩ’ሎ። ኣብቲ ርክብ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ሜጀር ጀነራል ሑመድ ካሪካረን ሓላፊ ኣዛዚ ስርሒታት ሓይሊ ባሕሪ ስዑዲ ዓረብ ሜጀር ጀነራል የህያ መሓመድ ኣሲሪን ኣዛዚ ሓይልታት ሕብረት ስዑዲ ብርጋዴር ጀነራል ካልድ ቢን መሓመድ ኣልራማሊ ተረኺቦም ኔሮም። መናኤፍ ኤን ዝተባህለ ኣገልግሎት ዜና ስዑዲ ዓረብ ብወገኑ ሰበ ስልጣን ክልቲኣን ሃገራት ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ቃልሲ ኣንጻር ግብረ ሸበራን ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ስግኣት ዓለምለኸ መስመር ምትሕልላፍ መራኽብ ዝኾኑ ጉዳያት ምዝታዮም ሓቢሩ’ሎ። ኤርትራ ንሕብረት ሃገራት ወሽመጥ ኣብ የመን ኣብ ዘካየድዎ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ንወደብ ዓሰብን መዓርፎ ነፈርቲ ዓሰብ ክጥቀሙ ምፍቓዳ ይፍለጥ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8B%E1%8B%AD-%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BB%E1%89%B5-%E1%88%B5%E1%8B%91%E1%8B%B2-%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A1-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A1\/5032752.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ግጭት ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ 2 ሚልዮን ሰባት ናብ መነባብርኦም ምምላሶም ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ዝተፈናቐሉ ዜጋታት ናብ ቦትኦም መሊስካ ናይ ምጥያስ ስራሕ ይካየድ ምህላው ኮሚሽን ሃገራዊ ምክልኻል ሓደጋን ስግኣትን ኣፍሊጡ። እቲ ኮሚሽን ዛጊት 2.1 ሚልዮን ዝኾኑ ናብ መነባብርኦም ክምለሱ ምኽኣሎም ብምጥቃስ ካልእ ምፍንቓል ከየጋጥም ልዕልና ሕጊ ክኽበር ጸዊዑ’ሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብዝነበረ ግጭት ካብ መንጎ ዝተፈናቐሉ 2.3 ሚልዮን ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ናብ መነባብኦም ከምዝተመልሱ ኮሚሽን ሃገራዊ ምክልኻል ሓደጋን ድልውነትን ኣፍሊጡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%90%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%89-2-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%90%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5029864.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ደቡብ ክልል ዝተሰቕሉ ዘይሕጋዊ ኣርማታት፡ምልክታትን ባንዴራታትን ክወርዱ ወታደራዊ እዚ’ቲ ክልል ኣዚዙ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ደቡብ ክልል ዝተሰቐሉ ዘይሕጋዊ ኣርማታት፡ምልክታትን ባንዴራታትን ወሪዶም ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ብናይ’ቲ ክልል ሕጋዊ ባንዴራን ኣርማን ክትክኡ ናይቲ ክልል ግዝያዊ ወታሃደራዊ እዚ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ። እቲ ወታሃደራዊ እዚ ትማሊ ምሸት ነዚ መግለጺ ኣብ ዝሃበሉ እዋን ኣብያተ ጽሕፈት፡ ናይ ውልቂ ትካላት ኾነ ውልቀሰባት ነቶም ምልክታት ኾነ ኣርማታት ሒዞም ዝተረኽቡ ስጉምቲ ከምዝወስደሎም ኣፍሊጡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%89%95%E1%88%89-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%95%E1%8C%8B%E1%8B%8A-%E1%8A%A3%E1%88%AD%E1%88%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%AD%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%89%A3%E1%8A%95%E1%8B%B4%E1%88%AB%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%8B%B1-%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%A5%E1%8B%9A-%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8B%9A%E1%8B%99\/5029837.html"} {"headline":"ኮሎኔል ቢንያም ተወልደ ብ30 ሽሕ ብር ዋሕ ክፍታሕ ቤት ፍርዲ ወሲኑ","content":"ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኢትዮጵያ ዓቃቢ ሕጊ ብግዕዝይናን ካልኦት ገበናትን ከሲሰዮም ንዝበሎም ኮሎኔል ቢንያም ተወልደ ብ30 ሽሕ ብር ዋሕሽ ክፍትሑ ወሲኑ።ኣብ ሓደ እዋን ምኽትል ዋና ዳይረክተር ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታ ድሕነት\/INSA\/ ዝነበሩ ኮለኔል ቢንያም ተወልደ ቤት ፍርዲ ናይቲ መኽሰሲ ዓንቀፅ ድሕሪ ምቕያሩ እቲ ዝተቐየረ ዓንቀፅ ድማ ዋሕ ዘየኸልክል ብምዃኑ ንዋሕ ንክወፁ ከምዝተወሰነ ጠበቕኦም ኣቶ ሃይለስላሰ ገብረመድህን ንቪኦኤ ገሊፆም። ኮሎኔል ቢኒያን ንዝሓለፉ 13 ኣዋርሕ ኣብ ቤት ምእሰርቲ ይርከቡ። ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/court-ruled-former-insa-deputy-director-colonel-biniam-tewelde-released-on-bail\/5029731.html"} {"headline":"‘ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተፈጸመ ቅትለት ብዝተኣሳሰር ዝተወስደ ስጉምቲ ዝተመጣጠነ’ዩ’ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ 15 ሰነ 2011 ምስ ዝተፈፀመ ቅትለት ብዝተኣሳሰረ መንግስቶም ይወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ዝተመጣጠነ እዩ ኢሎም ። ንሶም ምስ ቅትለት ኣዛዚ ስታፍ ኢትዮጵያ ጀነራል ስዓረ መኮነንን ጡረተኛ ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ቀታሊ ብዛዕባ ዝተባህለ ሓላዊኦምን፣ንዝምድና ህውሓትን ኣዴፓን፣ከምኡ እውን ዝምድና ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝምልከት ትማሊ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ አዲስ ኣበባ ሂቦም። 15 ሰነ በቲ ዝተሃቀኖ ሰባት እንተዝቕተሉ ነይሮም ዝለዓለ ህልቂት ምፈጠረ ኔሩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ መንግስቶም ኣብዚ ጉዳይ ይወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ተመጣጣኒ እዩ ኢሎም። “ኣብዚ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ባህርዳርን ብድምር ንኣስታት 350 ሰባት ኢና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።ኣብ ውሽጢ 24 ስዓታት ልዕሊ 1,200 ጥቆማ በፂሑና ነቲ ውሱን ኢና ሒዝና።እዚ ጥራሕ እውን ኣይኮነን ካብ ዝሓዝናዮም ኣስታት 120 ሰባት ኣፃሪና ፈቲሕና ኣለና፤ኣብ ቀረባ እውን ክቕፅል እዩ።” ንጀነራል ሰዓረ መኮነን ብምቕታል ብዛዕባ ዝተጠርጠረ ሓላዊኦም ክገልጹ ድማ “ንጀነራል ስዓረን ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ዝቐተለ ወታደር ስለዝቖሰለ ክሳብ ሎሚ ኣብ ሕክምና እዩ ዝርከብ።ኣብ ከባቢ ክሳዱ ስለዝቖሰለን ምዝራብ ስለዘይኽእልን ክሳብ ዝሕሾ ሓዱሽ ነገር ኣይተረኽበን።ብህይወት ግን ኣሎ፤ኣብ ሕክምና ኣሎ” ኢሎም። ምስ እዚ ሰብ እዚ ርክብ ዝነበሮም ብህይወት ዝተትሓዙ ሰባት ግን ኣለው’ዶ ንዝብል ዝቐረበሎ ሕቶ ቀ\/ሚ ኣብይ “ንኣብነት ኣብ ክልል ኣምሓራ ዕልዋ መንግስቲ ተፈፂሙ’ሎ ምስተባህለ ኣነ ቴሌቪዥን ናይ ምርኣይ ዕድል ስለዘይብለይ ደዊልካ ንገረኒ ዝተባህለን ደዊሉ ዝተዛረቦን ሰብ ተታሒዙ’ሎ።ኣቐዲሙ ዝተተለመ እዩ ነይሩ።ተወሳኺ ሰባት ንምቕታል ዝተመደቡ ሰባት ነይሮም” ኢሎም። ብብዙሕ መንገዲ ዝተሓባበሩ ኣብ ውሽጢ ሃገር፣ኣብ ወፃኢ፣ኣብ ስራሕ መንግስቲ፣ብገንዘብን ጎስጓስን ሚዲያን ዝሓገዙ፣ብረት ዝገዝኡን ኣብ ስልጠና ዝሓገዙን ብዝምልከት ብዙሕ ሓበሬታ ኣሎ ኢሎም። ዝቕፅል ሃገራዊ ምርጫ ውድቦም ኢህወዴግ እዋኑ ሓሊዩ ክካየድ ከምዘለዎ ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ እንተበፅሐ እውን እቲ ምርጫ ናይ ምንዋሕን ዘይምንዋሕን ጉዳይ ግን ብገዛኢ ፓርቲ ጥራሕ ኣይውሰንን ኢሎም። ንምክሳስ ህውሓትን ኣዴፓን ብዝምልከት ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ክገልፁ ከለው ክልቲኦም ውድባት በዚ ደረጃ ብወግዒ ከምዚ ተባሃሂሎም ዘይፈልጡ እንተኾኑ እውን ኣብ መደረኻትና ካብዚ ብዝብኣሰ ብዝርዝርን ሓያል ብዝበለ ኣገባብ ይዘራረቡ ነይሮም ኢሎም። “ህውሓትን ኣዴፓን በቲ ዝተለዋወጡዎ ኣገባብ እንተዘይኸውን ይምረፅ ነይሩ ዝብሉ ሰባት ኣለው።ኣነ እውን እስማማዕ እየ።ካብኡ ዝሓሸ ናይ መዘራረቢ መድረኻት ነይሩዎም እዩ።ከምኡ ምምልላሶም ግን ብዙሕ ከሰንብደና ኣይግባእን።ጥይት ክሳብ ዘይሓወሰ ፖለቲካ ንዝርርብ ክፉት ስለዝኾነ ዝኾነ ይኹን ሰብ ዝስምዖ ክገልፅ ክንፈቅድ ኣለና።” ብዛዕባ ርክብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝምልከት ዝተሓተቱ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ሕጂ ብዘሎ ኩነታት ኢትዮጵያ ካብ እትቀራረበን ሃገራት ብምንፅፃር ዝሓሸ ጉርብትናን ርክብን ዘለዋ ምስ ኤርትራ እዩ ኢሎም። መንግስቲ ኤርትራ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኩሉ መዳይ ብቐረባ ክሰርሕ ከምዝደልይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክግንዘብ ኣለዎ ዝበሉ ቀዳማይ ሚንስትር ይኹን እምበር ዶብ ምስተኸፈተ ህዝቢ ብኽልቲኡ ወገናት ብበብሒ ብምእታው ብዙሕ ናይ ቁጠባን ናይ ባህልን ምዝባዕ ስለዘምፅአ መንግስቲ ደው ኢሉ ክሪእዮ ኣድላይ እዩ ኢሎም።እዚ ማለት ግን ፀገም ኣሎ ማለት ኣይኮነን ምስበሉ ብወገን ኤርትራ ይስርሑ ኣለው ዝበሉዎም ዝምልከት ከምዚ ኢሎም። “ንኣብነት መንግስቲ ኤርትራ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝሓሸ ካብ ዓዲ ቐይሕ ናብ ዛላንበሳ ዝወስድ መንገዲ እናሃነፆ ይርከብ።ንግዲ ክሰፍሕ ስለዝኽእል፣ምጥቃም ወደብ ባጽዕ ክጅምር ስለዝኽእል፣ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ መንገዲ ክንሃንፅ ኣለና ኢሉ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ።ኣብ ቀረባ ከይድና ዝተዓዘብናዮ እውን እዚ እዩ።ዓሰብ ብዝምልከት እውን ብርክት ዝበሉ ፕሮፕዛላት ቀሪቦም መንግስቲ ኤርትራ ይሰርሓሉ ኣሎ።ኩሎም ናይ ቁጠባ ምልውዋጥ ክሳልጡ ዝኽእሉ ዓውድታት ብናቶም ወገን ሰፊሕ ምድላው ገይሮም እናተሰርሐሉ ይርከብ።” ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ወሲኾም ክልተ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ክልተ ዝተፈላለየ ፖሊስታትን ሓሳባትን ዘለወን ሃገራት ኣብ ሓደ ዓውዲ ንምስራሕ ዘኽእሎም ሓባራዊ ነገር ክሳብ ዝፈጥሩ ምዝርራብ የድልዮም እዩ እዚ እውን ብትዕግስቲ ምፅባይ የድሊ እዩ ኢሎም ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%88%92-%E1%88%B0%E1%8A%90-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%98-%E1%89%85%E1%89%B5%E1%88%88%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%88%B3%E1%88%B0%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B5%E1%8B%B0-%E1%88%B5%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8C%A3%E1%8C%A0%E1%8A%90-%E1%8B%A9-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5\/5026929.html"} {"headline":"ቻይና 9 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ስርናይ ሩዝን ሓገዝ መግቢ ንኢትዮጵያ ሂባ","content":"ቻይና ኣብ መዓላ ሰብኣዊ ረድኤት ዝውዕል 9 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ስርናይ ሩዝን ሓገዝ መግቢ ንኢትዮጵያ ሂባ። እቲ ቻይና ዝለገሰቶ 7,408 ሜትሪክ ቶን ስርናይን 509 ሜትሪክ ቶን ሩዝ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈጥረ ሰብኣዊ ቅልውላው ረድኤት ከምዝውዕል ተገሊጹ’ሎ። እቲ ረድኤት ብገንዘብ ክትመን ከሎ 206 ሚልዮን ብር ወይኸአ 7,201,500 ዶላር ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ። ነቲ ረድኤት ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ቻይና ኣምባሳደር ታን ዥያን ንሚንስትር ዴኤታ ሚንስትሪ ገንዘብ ኢትዮጵያ ኣቶ አድማሱ ነበበን ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ብሄራዊ ስግኣት ሓደጋ ኣቶ ምትኩ ካሳ ኣረኪቦም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%BB%E1%8B%AD%E1%8A%93-9-%E1%88%BD%E1%88%95-%E1%88%9C%E1%89%B5%E1%88%AA%E1%8A%AD-%E1%89%B6%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%A9%E1%8B%9D%E1%8A%95-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8A%95%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%82%E1%89%A3\/5026899.html"} {"headline":"ሱዳን ምስ ሞት ሰልፈኛታት ብዝተሓሓዝ 7 ወታሃደራት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣእትያ","content":"ወሃቢ ቃል ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሌተናል ኮነሬል ሸምስ ኢል ዲን ካባሺ ምስ ሞት ሰልፈኛታት ከተማ ኣል ኦቢድ ብዝተሓሓዝ ሸውዓተ አባላት’ቲ ብፍጡን ሓይሊ ዝፍለጥ ወታሃደራዊ ጉጅለ’ታ ሃገር ካብ መዝነቶም ብምእላይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታው ሓቢሩ። ሌተናል ኮነሬል ሸምስ ኢል ዲን ካባሺ ብተወሳኺ ኣመሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ሰሜን ኩርዱፋንን ቤት ምኽሪ ጸጥታ’ቲ ክፍለ ግዝኣትን ኣርባዕተ ተማሃሮ ዝርከብዎም ብሶኑይ ዝሞቱ ሽዱሽተ ሰባት ተሓተቲ’ዮም ኢሎም። ተቓወምቲ ጉጅለታት’ታ ሃገር እዚ ብፍጡን ሓይሊ ዝፍለጥ ወታሃደራዊ ሓይሊ ኣብ እዋን ተቓውሞ ዝሞቱ ሰልፈኛታት ተሓታቲ ምኳኑ ይገልጹ። ምክትል ኣዛዚ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዝኾኑን ላዕለዋይ ኣዛዚ’ዚ ፍጡን ሓይሊ ጀነራል መሃመድ ሓምዳን ዲያሎ እቲ ክስታት ኢዶም ከእትው ብዝደልዩ ወገናት ዝቐረበ’ዩ ክብሉ ይነጽጉ። ዋና ተቓዋሚ ውድብ ሱዳን ሕብረት ሓይልታት ንናጽነትን ለውጢ ነቲ ስጉምቲ ብሓጎስ ብምቕባል ኣብ መጻኢ ከጋጥም ዝክእል ጎነጽ ኣብ ምክልካል ኣበርክቶ ክህልዎ’ዩ ኢሉ’ሎ። ኣብ መንጎ ወታሃደራዊ ኣዘዝቲን ተቓውምቲን ዝካየድ ልዝብ ሎሚ ዓርቢ ኣማስይኡ ከምዝቕጽል መንጎኛ ሕብረት ኣፍሪቃ ንጉዳይ ሱዳን መሃመድ ሓሰን ገሊጾም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%9E%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%88%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%93%E1%8B%9D-7-%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%89%90%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%8A%A5%E1%89%B5%E1%8B%AB\/5026623.html"} {"headline":"ስደተኛታት ጽዒና ካብ ጅቡቲ ናብ የመን ተምርሕ ዝነበረት ጀልባ ብዘጋጠማ ሓደጋ 15 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ","content":"ልዕሊ 90 ስደተኛታት ጽዒና ካብ ጁቡቲ ናብ የመን ትጉዓዝ ዝነበረት ጀልባ ብዘጋጠማ ሓደጋ ምስባር 15 ስደተኛታት ብሰንኪ ጥምየት፣ፅምኢ ማይን ተስፋ ምቑራፅ ናብ ባሕሪ ብምዝላል ህይወቶም ምጥፍኡ ዓለምለኸ ትካል ፍልሰተኛታት\/IOM\/ ኣፍሊጡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8C%BD%E1%8B%92%E1%8A%93-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8C%85%E1%89%A1%E1%89%B2-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8B%A8%E1%88%98%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8C%80%E1%88%8D%E1%89%A3-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%9B-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B-15-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5025420.html"} {"headline":"‘ለውጢ ይመርሕ ዘሎ ምትእኽኻብ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎ መርገፂ ኣይተቐየረን’ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ለውጢ ይመርሕ ዘሎ ምትእኽኻብ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎ መርገፂ ኣይተቐየረን ኢሎም ። ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ መንግስቶም ናይ 15 ሰነ 2011 ዓ\/ም ምስ ዝተፈፀመ ቕትለት ዝተጠርጠሩ ምስ ምሓዝ ተኣሳሲሩ ድምፂ ንምዕፋን ይሰርሕ ኣሎ ዝብል ንዝቐርብ ነቐፌታ ነቲ ሓቂ ኣየንፀባርቕን ክብሉ’ውን ነፂጎምዎ ኣለው። “ድምፅታት ክኽፈቱ ዝገበረ መንግስቲ እዩ።ድምፅታት ክዕፈኑ የብሎምን ዝብል ፅኑዕ መርገፂ ዘመላኸተ መንግስቲ እዩ።ንእሱራት ዝፈትሐ እውን መንግስቲ እዩ።ጃም ይግበሩ ዝነበሩ ሚዲያታት ነፃ ዝገበረ እውን መንግስቲ እዩ።ስለዚ ድምፅታት ክዕፈኑ ድልየት የብሉን።” ድምፅታት እንተዝዕፈኑ ነይሮም ኣብ ኢትዮጵያ ሞባይል ስልኪ ዘለዎ ኩሉ ጋዜጠኛ ኣይምኾነን ነይሩ እውን ኢሎም።ንሶም ብምውሳኽ ስለዘይዕፈኑ እዩ ሞያ ይሃልዎም ኣይሃለዎም ሰባት ከምድላዮም ይዛረቡ ኣለው ኢሎም። ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት እውን ከምዚ ኢሎም። “ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ካብ ዝነበረና መርገፂ ዝተፈለየ ነገር የለን።ሎሚ ናይ ፀልማት ቤት የለን፤ሎሚ ፅፍሪ ኣይንቀልን፤ሎሚ ሰብ ኣይቕጥቀጥን።ብሕጋዊ ኣገባብ ይትሓዝ፣ብሕጋዊ ኣገባብ ይፍታሕ።ዝጀመርናዮ ናይ ሰብኣዊ መሰላትን ዴሞክራሲያዊ ባይታ ካብ ምስፋሕን ዘመናዊ ካብ ምግባርን ወፃኢ ንድሕሪት ዝተመለሰ ነገር የለን።” ናይ 15 ሰነ ፍፃመ ከም ቀሊል ነገር ዘይርአ ኣዚዩ ሓደገኛ’ዩ ነይሩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ዝተጀመረ ናይ ዲሞክራሲ ጉዕዞ ንድሕሪት ንምምላስን መንግስቲ ንድሕሪት ንክምለስን በሪ ዝኸፍት እዩ ነይሩ ኢሎምዎ። እቲ ናይ 15 ሰነ ፍጻመ እንተዘፈሽል ነይሩን ብዝተተለመሉ መሰረት ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበሉ ሰባት ቅትለት እንተዝፍጸም ነይሩ ኣዚዩ ዝለዓለ ጥፍኣት ክወርድ ምኸኣለ ነይሩ ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%88%E1%8B%8D%E1%8C%A2-%E1%8B%AD%E1%88%98%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%8A%BB%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%95%E1%8B%9B-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8E-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%8C%88%E1%8D%82-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%89%90%E1%8B%A8%E1%88%A8%E1%8A%95-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5\/5025371.html"} {"headline":"መግለጺ ፈጻሚ ስራሕ ውድብ ዓረና","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝተፈጠረ ፀገም መበገሲኡ ስእነት ዴሞክራሲ እዩ ክብል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ውድብ ዓረና ንሉኡላዊነትን ዴሞክራሲ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣፍሊጡ:: ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ዓረና፡ ኣኼብኡ ድሕሪ ምዝዛም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሊህቃን ጉዳይ ምግንፃልን ሃገር ምብትታንን ከም ቀንዲ መፍትሒ ፀገም`ዛ ሃገር ገይሮም ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ወገናት፡ ህዝቢ ናብ ዝኸፍአ ፀገም ዘእትው እዩ’ሞ ደው ከብሉ ይግባእ ኢሉ:: ብተወሳኺ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ፀገም ሕቶ ብሄር ብሄረሰባት ጎሊሁ ብምውፅኡ እዩ ብምባል መሰል ብሄር ብሄረሰባት ንምጭፍላቕ ዝግበር ምንቅስቓስ ንቃለሶ ኢና ብምባል ኣፍሊጡ`ሎ :: ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ዓረና ኣብ ዝሓለፈ 13ን 14ን ሓምለ 2011 ዓ.ም ዘካየዶ ኣኼባ ጠሚቱ ትማሊ መግለፂ ኣውፂኡ:: እቲ መግለፂ ከምዘመላኽቶ ኣብቲ ኣኼባ ሃገራዊን ክልላዊን እዋናዊ ጉዳያት ዝተላዕሉ ኽኾኑ ኸለው ብተወሳኺ ድማ ኣፈፃፅማ ስራሕ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እቲ ውድብ ከምዝተገምገመ ተሓቢሩ’ሎ:: እቲ መግለፂ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ምምሕዳር ፖለቲካ ንምስፋሕ: ምፍታሕ እሱራት: ውድባት ፖለቲካ ብነፃነት ክሰርሑ ምእንጋድን ብተወሳኺ ድማ ማዕኸናት ዜና ነፃ ኮይኖም ክሰርሑ ጅማሮ ዋላ ተነበረ ኩሉ ዘሳተፈ ብፍኖተ ካርታ ዝተደገፈ ከይዲ ብዘይምንባሩ ነባሪ ክኸውን ኣይከኣለን ኢሉ:: ብፍላይ እቲ ውድብ ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ክልል ትግራይ ህዝባዊ ኣኼባታት ንምክያድ ካብ ከተማ መቐለ ወፃኢ ኣብ ዝኸድሉ እዋን ምኽልባት ከምዘጋጥሞም ገሊጹ:: ሓሳብኻ ብናጽነት ምግላጽ ከይህልው ምትዕንቓፍ ኣሎ እዩ ዝበለ መግለፂ ዓረና ህዝቢ ትግራይ ዘተኣማምን ልምዓት ከምዝግብ ዝኽእል: ሰላምን ሓድነትን ዝህልዎ ህዝቢ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ብነፃነት ከተኣናግድ ከሎ እዩ ኢሉ :: መግለፂ ዓረና ትግራይ ከምዘመላኽቶ ኣብቲ ክልል ካብ ቀረባ እዋን ናይ ዝረአ ዘሎ ኣተሓሳስባ ምግንፃል ከምዝቃወምን: ረብሓ ክልል ትግራይ ዝረጋገፅ ኣብ ኢትዮጵያ እዩ ኢሉ ከም ዝኣምንን ሓቢሩ:: ብኻልእ ወገን ድማ ህልውና ብሄር ብሄረሰባት ዝፈታተን ጨፍላቒ ኣተሓሳስባ ሚዛን ክሕዝ ይግባእ ክብል’ውን ኣፍሊጡ:: ሸሞንተ ናይ ቅዋም ነጥብታት ዝሓዘ መግለፂ እቲ ውድብ: ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፀገም ዝተፈጠረ ሃገር የማሓድር ዘሎ ውድብ ንብዙሕ ዘመናት ዝፀንሑ ሕቶ ህዝብታት ብዘይምምላሱ እዩ ዝበለ ኮይኑ: ሐዚ ዘለዉ ፀገማት ንምፍታሕ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ዝተሳተፍሉ ፍኖተ ካርታ ተሰናዲኡ ተግባራዊ እንትኸውን እዩ ኢሉ:: እቲ ፓርቲ ብፕሮግራም ምስ ዝመሳሰልዎ ክልላዊ ውድባት ንምውሃድ ዝጀመሮ ስራሕ ኣሓይሉ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ:: ብማዕኸናት ዜናን ማሕበራዊ መራኸብን ኣቢሉ ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልኦት ህዝብታት ንምጉናፅ ይግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ብምኹናን ዓረና ብፍላይ ንዘመናት ሓቢሮም ዝነብሩ ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ናብ ጎንፂ ንምእታው ይግበር ዘሎ ናይ ሓይሊ ምንቅስቓስ ደው ክብል ጸዊዑ:: እቲ መግለፂ ቅድሚ ሐዚ ዝተፈጠረ ናይ ዜጋታት ምፍንቓል ብዕርቅን ምርድዳእን ክፍታሕ ይግባእ ኢሉ:: ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ፀገም መበገሲኡ ስእነት ዴሞክራሲ ብምዃኑ ንቐፃሊ ዴሞክራሲ ክሕይል ሓድነት መሰል ብሄር ብሄረሰባት ኣብ ዘኽብር ዓንከል ክቃለስ እየ ኢሉ:: እቲ ውድብ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ንዘካይዶ ሓምሻይ ጉባኤኡ ዘዳልው ኣተሓባበርቲ እውን ከምዝመረፀ ኣፍሊጡ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8D%88%E1%8C%BB%E1%88%9A-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%8A%93\/5025328.html"} {"headline":"ካልኣይ ዙር ፌስቲቫል ተወለድቲ ትግራይ ይኻየድ’ሎ","content":"ካልኣይ ዙር ፌስቲቫል ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ትማሊ ኣማስዩ ኣብ ከተማ መቐለ ተጀሚሩ:: ኣብ መኽፈቲ ስነስርዓት እቲ ፌስቲቫል ዝተረኸቡ ምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሃለዋትን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ዝረጋገፅ ብተጋሩ ጥራሕ እዩ ብምባል ኣብዚ ጉዳይ ድማ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነብሩ ተጋሩ ግደኦም ከበርክቱ ፀዊዖም:: No media source currently available እቲ ፌስቲቫል ክሳብ 30 ሓምለ 2011 ዓ. ም ክፀንሕ እዩ:: ምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ መኽፈቲ ዘስምዕዎ መደረ ሎሚ ዓመት ይካየድ ዘሎ ፌስቲቫል ተጋሩ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝኣተወትሉ: ተጋሩ ድማ ብመንነቶም ኣብ ዝጥቅዕሉ እዋን እዩ ዝካየድ ዘሎ ኢሎም:: ሃለዋትን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ዝረጋገፅ ብተጋሩ ጥራሕ እዩ ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን ኣብዚ ጉዳይ ድማ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነብሩ ተጋሩ ግደኦም ከበርክቱ ፀዊዖም:: ተጋሩ ዲያስፖራ ንእዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ተረዲኦም ቃልሲ የካይዱ ኣለዉ እዚ ድማ ዝምስገን ስራሕ እዩ ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን፥ “ሐዚ 'ውን ካብ ከቢድ ፀገም ስለዘይወፃእና ሓገዝኩም ኣሓይልኹም ቀፅሉ”ኢሎም:: ብተወሳኺ እቶም ምክትል ምምሕዳር ምዕብልቲ ክልል ትግራይ ኣብ ምፍጣር ግደ ዳያስፖራ ልዑል እዩሞ ትፅቢት ዝግበረሎም ክፍፅሙ ይግባእ ኢሎም:: ኩሉ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነብር ተወለድቲ ትግራይ ብዘለዎ ዓቕሚ ገንዘብ ዘለዎ ብገንዘቡ ፍልጠት ዘለዎ ብፍልጠቱ ጉልበት ዘለዎ ድማ ብጉልበቱ ኣብ ልምዓት ትግራይ ክሳተፍ ኣለዎ ኢሎም:: ተሳተፍቲ እቲ ፌስቲቫል ሎሚ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ጠሚቱ ዘተ ኣካይዶም እዮም:: እቶም ተሳተፍቲ ፅባሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ልምዓታዊ ስራሕት ዑደትን ተኸላ ፈልስን ከካይዱ እዮም:: 27 ሓምለ 2011 ዓ.ም ጉባኤ ማሕበራት ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካን ኣዉሮጳን ዝካየድ ኮይኑ: 28 ሓምለ ድማ ብቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ስፖርትን እቲ ክልል ዝዳለው ዓብይ ጉያ ክህልው እዩ:: ብተወሳኺ ኮንፈረንስ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ዝካየድ ኮይኑ መድረኽ ህፃናት ክህልው እዩ። እቲ ፌስቲቫል “ሓድነት ዲያሰፖራ ተጋሩ ንሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ!” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ ክሳብ 30 ሓምለ 2011 ክፀንሕ እዩ:: ንድምቀት እቲ በዓል፡ ዓውደ ምርኢትን ንግዲን እውን ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ ተኸፊቱ ንኣጋይሽ ክፉት ኮይኑ'ሎ:: ቀዳማይ ፌስቲቫል ተጋሩ ዳያስፖራ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ከተማ መቐለ እዩ ተኻይዱ ነይሩ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A3%E1%8B%AD-%E1%8B%99%E1%88%AD-%E1%8D%8C%E1%88%B5%E1%89%B2%E1%89%AB%E1%88%8D-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8B%B5%E1%89%B2-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%AD%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%88%8E\/5025270.html"} {"headline":"ዘተ- ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኤርትራ","content":"ዓለምለኸ ውድባት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ፍልይቲ ራፖርተር ሰብኣዊ መሰላት ንጉዳይ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓዊሱ ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብዝምልከት ዘለዎም ሻቕሎት ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም። እዞም አካላት ዋላ’ኳ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ዝጸንሐ ኹናትን ውጥረትን እንተብቕዓ ኤርትራዊያን ዜጋታት ግን ካብቲ ዝተረኽበ ሰላም ክሳብ ሕጂ ዝረኸብዎ ኣወንታዊ ጥቕሚ የለን ይብሉ። ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራዊያን ተሓለቕቲ መሰላት ኣብ ኤርትራ ለውጢ ክተኣታተው፡ቅዋም ኤርትራ ክትግበር፡ እሱራት ፖለቲካ ክፍትሑ ዝብሉ ጻውዒት የቕርቡ ኣለው። ‘ይኣክል’ ብዝብል ወፍሪ ብዙሃት ኤርትራዊያን ነበርቲ ዝተፈላለዩ ሃገራት ድምጾም ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን የስምዑ ኣለው። ይኹን ደአ እምበር መንግስቲ ኤርትራን ደገፍቱን ግን እቲ ስምምዕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ኣወንታዊ ውጽኢት ይረኽብ ምህላውንን ውጽኢቱ ድማ ብመስርሕ ጊዜ ዝርከብ ምኳኑ ይገልጹ። ንክልቲኡ ሓሳባት ዘቓልሑ ኢብራሂም ዓብደልኑርን ከማል ዓሊን ኣዘራሪብና አለና። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ካልኣይ ክፋል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%98%E1%89%B0--%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB\/5022231.html"} {"headline":"ካልኣይ ዙር ፌስትቫል ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ተጀሚሩ","content":"ካልኣይ ዙር ፌስትቫል ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ሎሚ ኣማስዩ ኣብ ከተማ መቐለ ተጀሚሩ:: ኣብቲ ፌስቲቫል ልዕሊ 2000 ካብ መላእ ዓለም ዝመፁ ተወለድቲ ትግራይ ከምዝተሳተፉ ተገሊጹ’ሎ:: ኣብ መኽፈቲ ስነስርዓት እቲ ፌስቲቫል ዝተረኸቡ ምክትል ምምሕዳር ዶ\/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል ሎሚ ዓመት ይካየድ ዘሎ ፌስቲቫል ተጋሩ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝኣተወትሉ: ተጋሩ ድማ ብመንነቶም መጥቓዕቲ ዘጋጥሞም ዝካየድ ዘሎ ኢሎም:: ሃለዋትን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ዝረጋገፅ ብተጋሩ ጥራሕ እዩ ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን ኣብዚ ጉዳይ ድማ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነብሩ ተጋሩ ግደኦም ከበርክቱ ፀዊዖም:: ብተወሳኺ ምዕብልቲ ትግራይ ኣብ ምፍጣር ግደ ዳያስፖራ ልዑል እዩሞ ትፅቢት ዝግበረሎም ክፍፅሙ ይግባእ ኢሎም:: ተሳተፍቲ እቲ ፌስቲቫል ፅባሕ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ጠሚቱ ክዝትዩ እዮም:: እቲ ፌስቲቫል ክሳብ 30 ሓምለ 2011 ክፀንሕ እዩ:: ቀደማይ ፌስቲቫል ተጋሩ ዳያስፖራ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ከተማ መቐለ ምክያዱ ይዝከር::","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A3%E1%8B%AD-%E1%8B%99%E1%88%AD-%E1%8D%8C%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%89%AB%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%8D%83%E1%8A%A2-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A5%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8B%B5%E1%89%B2-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%89%B0%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9\/5023587.html"} {"headline":"ኬንያ: ብኣልሸባብ መጥቃዕቲ ዝወረዶ ሆቴል ዳግማይ ስርሑ ጀሚሩ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ብዕጡቓት ኣባላት ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ዝወረዶ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኬንያ ዝርከብ ሆቴል ዳግማይ ተሓዲሱ ንስራሕ ድልው ምኻኑ ተሓቢሩ። ኣባላት ኣልሸባብ ካብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት እቲ ዝበርትዐ ጉድኣት ከምዘውረደ ዝጥቀሰሉ መጥቃዕቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት ኣብ ልዕሊ እቲ ሆቴል ብምፍጻም 21 ሰባት ከምዝተቐትሉን ልዕሊ 700 ልዕሊ ሰባት ድማ ጅሆ ተታሒዞም ምንባሮም'ዩ ተጠቒሱ። እቲ መጥቃዕቲ ኣባላት ኣልሸባብ ንሰዓታት ዝቐጸለ ክኸውን እንከሎ: ሓይልታት ጸጥታ ኬንያ ነቶም ፈጸምቲ መጥቃዕቲ ክጸርጎምን ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ኣብ ዝቕጽል መዓልቲ ሙሉእ ብሙሉእ ናጻ ከውጽኦም ከምዝኸኣለ ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AC%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%88%B8%E1%89%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%83%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B6-%E1%88%86%E1%89%B4%E1%88%8D-%E1%8B%B3%E1%8C%8D%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%91-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9\/5023269.html"} {"headline":"ወ\/ሮ ሶፍያ ተስፋማርያም ቀዋሚት ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኮይና ምምዛዛ ተገሊጹ","content":"‘ፕረ. ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ ወ\/ሮ ሶፍያ ተስፋማርያም ቀዋሚት ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ክትከውን ምምዛዞም’ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጃፓን ኣቶ እስጢፋኖስ ኣፈወርቂ ብናይ ትዊተር መልእኽቲ ኣፍሊጡ። ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝተዋሃበ ወግዓዊ መግለጺ እንተዘየለ`ኳ፡ ምንጭታት መንግስቲ ኤርትራ ንቪኦኤ ሓቢሮም ኣለዉ። ናብ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኒውዮርክ፣ መረጋገጺ ንክርከብ ተፈቲኑ’ውን ኣይሰለጠን። ወ\/ሮ ሶፍያ ምስ’ቲ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝመደበሩ ናጻ ዓለምለኸ ጉዳይ ኣብ ሞያውን ስነ-ጽሑፍን ትነጥፍን፣ መስራቲት ፋውንዴሽን ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃን እያ። ወ\/ሮ ሶፍያ ተስፋማርያም ‘ ኣብ ባይቶን ትካላት መንግስቲ ኣሜሪካን ንኤርትራ ብምሕላቕ ክትነጥፍ ዝጸንሐት ምዃና`ውን’ እቲ ዜና ይሕብር። ወ\/ሮ ሶፍያ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ንዝዓረፉ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣቶ ግርማ ኣስመሮም ክትክእ`ያ። መዝነት ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕ\/ሃ ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ክፉት ኮይኑ’ዩ ጸኒሑ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%88-%E1%88%AE-%E1%88%B6%E1%8D%8D%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%88%B5%E1%8D%8B%E1%88%9B%E1%88%AD%E1%8B%AB%E1%88%9D-%E1%89%80%E1%8B%8B%E1%88%9A%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B3%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%95%E1%89%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8A%BE%E1%8A%93-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%9B%E1%8B%98%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5022248.html"} {"headline":"'22 ሓምለ ፈልሲ ካብ ምትካል ዝበልፅ ዓወት ኣጎናፂፋትና እያ' ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ","content":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ናይ ኢትዮጵያ ሓምላይ ፀጋ ንምምላስ ሓምላይ ኣሰር ክነቐመጥ ዘቕረብክዎ ፃውዒት ብምቕባል ህዝቢ ኢትዮጵያ ወሰን ኢሉ ብምውፃእ ፈልሲ ተኺሉ’ሎ ኢሎም። ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ መዓልቲ ልዕሊ 350 ሚሊዮን ፈልሲ ብምትካል ናይ ዓለም ክብረ ወሰን ብምምሕያሹ ነቶም ቀዳማይ ሚንስትር ከም መተኣማመኒ ድምፅን ከም ዓብይ ፖለቲካዊ ዓወትን ከምዝቑፀር ዝተፈላለዩ ወገናት እምነቶም ይገልፁ ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%88%9D%E1%88%88-%E1%8D%88%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%8D%E1%8D%85-%E1%8B%93%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8C%8E%E1%8A%93%E1%8D%82%E1%8D%8B%E1%89%B5%E1%8A%93-%E1%8A%A5%E1%8B%AB-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%89%80%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8D%86%E1%88%9D\/5022193.html"} {"headline":"ኢትዮጵያዊያን ኣብ ሓደ መዓልቲ 200 ሚሊዮን ፈልስታት ብምትካል ክብረ ወሰብ ዓለም ሰይሮም","content":"ኢትዮጵያዊያን ኣብ ሓደ መዓልቲ ክልተ ሚእቲ ሚሊዮን ፈልስታት ብምትካል ክብረ ወሰብ ዓለም ሰይሮም።ብጻውዒት ቀዳማይ ሚንስትር ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ሶኑይ ኣብ መላእ ሃገር ምትካል ፈልስታት ክካየድ ውዒሉ’ሎ።ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብ ኣርባ ምንጭን ወላይታ ሰዶን ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ፈልስታት ተኺሎም ኣለው። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ብዘቕረቡዎ ፃውዒት ኢትዮጵያዊያን ኣብ ወፍሪ ምትካል ፈልስታት ተኻፊሎም ኣለው።ሆላንድ ፓርክ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ውላደን ፈልሲ ንምትካን ዝወፈራ ወ\/ሮ ለምለም ሰለሞን እቲ ህዝቢ ዝተለዓዐለሉ ምኽንያት ከምዚ ክብላ ይገልፅኦ። “ህዝቢ ዝተለዓዐለ ብፃውዒት ቀዳማይ ሚንስትር እዩ።ብተወሳኺ ድማ ተኽሊ ምትካል ብዙሕ ረብሓ ኣለዎ።ፍቕሪን ሰላምን ዝሓዘ እዩ።ንሓደ ዕላማ ብሓድነት ምውፃእ ንባዕሉ ኣዚዩ ዘሐጉስ እዩ።” ወ\/ሮ ሙሉ ገብረሚካኤል ዝተባህላ ተሳታፊት ምትካል ፈልሲ እውን ንኩነታት ኣየር ይኹን ንድርቂ ኣብ ምክልኻል ከምኡ እውን ነታ ሃገር ሓምላይ ኣብ ምግባር ዓብይ ትርጉም ኣለዎ ኢለን። ወ\/ሮ ገነት ኣግዜ ድማ ትርጉም ምትካል ፈልሲ ሰላም፣ፍቕሪ፣ሓድነትን ዘይምክፍፋልን ማለት እዩ ምስ ኢለን። “ክሳብ ዝኣኽለኒ ክተክል እየ።ተኺለ ድማ ክከታተሎ እየ። ኣነ ምሕላፈይ ስለዘይተርፍ እዚ ናተይ አሰር ተረከብ ኢለ ነዚ ወለዶ ከሕልፍ እየ።እዚ እዩ መልእኽተይ። “ ካልኦት ተሳተፍቲ እውን ተመሳሳሊ ርእይቶታት ሂቦም ኣለው።ኣብቲ ናይ ኣዲስ ኣበባ ምትካል ፈልስታት ሃይማኖታዊ ትካላት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣካላት ተሳቲፎምሉ ኣለው። ናይ ሎሚ ሓዊሱ ኣብዚ ናይዚ ዓመት ክረምቲ 4 ቢሊዮን ፈልስታት ንምትካል ተተሊሙ’ሎ። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድን ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣናትን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ብምውፋር ፈልሲ ተኺሎም ኣለው።ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብ ክልል ደቡብ ኣርባ ምንጭን ወላይታ ሰዶን፤ፕረዚደንት ሳህለ ወርቅ ኣብ ጎንደር፣ምኽትል ቀዳማይ ሚንስትር ኣቶ ደመቀ መኮነን ኣብ ኦሮሚያ ምብራቕ ሸዋ፣ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ኣብ ኦሮሚያ ከተማ ቢሸፍቱ ብምርካብ ፈልስታት ተኺሎም ኣለው። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራን ክልል ኦሮሚያን እውን ወፍሪ ምትካል ፈልስታት ከምዝተኻየደ ሪፖርተራትና ፀብፂቦም ኣለው። ፈልሲ ናይ ምትካል ስራሓት ዘተሓባብር ኮሚቴ ሎሚ ኣማሲዩ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኢትዮጵያዊያን ልዕሊ ክልተ ሚእቲ ሚሊዮን ፈልስታት ብምትካል ክብረ ወሰን ዓለም ሰይሮም ታሪኽ ሰሪሖም ኣለው ኢሉ’ሎ። እዚ ፈልሲ ናይ ምትካል ወፍሪ ትኹረት ዓለምለኸ ማሕበረሰብ እውን ስሒቡ’ሎ።ሓለፍትን ሰራሕተኛታትን ኣዲስ ኣበባ ናይ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ትካላት ኣብዚ ናይ ሎሚ ወፍሪ ተሳቲፎም ኣለው። ኣብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ኣፍሪቃ ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሰራሕተኛታትን ሓለፍትን ናይቲ ኮሚሽንን ናይ ሕብረት ኣፍሪቃን ዝተፈላለዩ ኤምባስታትን ሎሚ ሶኑይ ኣብ መዘናግዒ ጉለሌ ብምርካብ ኣብቲ ምትካል ተኽሊ ተሳቲፎም ኣለው። ናይ ኢትዮጵያ አሰር ሓምለዋይ ፕሮግራም ብቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ወግዓዊ ዝኾነ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ምዃኑ ዘዘኻኸረ ናይቲ ኮሚሽን መግለፂ ዕላምኡ ኣብ ዓመታት ዝበረሱ ኣእዋምን ዱርን ንምትካእ እዩ ኢሉ’ሎ። ኣብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ኣፍሪቃ ኮሚሽን ቁጠባ ዋና ፀሓፊ ቬራ ሶንጌ ነቲ ፃዕሪ ኣድኒቖም ኣለው።ሓደ ካብ ሸቶ ሚሊኒየማዊ ነባሪ ልምዓት ኣንፃር ለውጢ ኩነታት ኣየር ምግጣምን ምምሕያሽ ምምሕዳር ሃብቲ ተፈጥሮን ምዃኑ ብምግላፅ ኣብዚ ዓውዲ ኢትዮጵያ ነታ ኣህጉር ትመርሕ አላ ኢሎም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B2-200-%E1%88%9A%E1%88%8A%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8D%88%E1%88%8D%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%88%B0%E1%8B%AD%E1%88%AE%E1%88%9D\/5020032.html"} {"headline":"መቐለ፡ ፈላማይ ዋዕላ ትካል ውጽኢት ሕትመት ኣክሱማይ ተቓኒዑ","content":"ፈላማይ ዋዕላ ትካል ውጽኢት ሕትመት ኣክሱማይ ቀዳም 20 ሓምለ 2011 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ተሳሊጡ። እቲ ኣብ ሆቴል ሃጸይ ዮውሃንስ ዝተኻየደ ፈላማይ ዋዕላ ብርክት ዝበሉ ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዝተረከብሉ እዩ ተኻይዱ። ኣብቲ ፈላማይ ዋዕላ ውጽኢት ሕትመት ኣክሱማይ ዝተፈላለዩ ብሰብ ሞያ ዝተኻየዱ ዳህሳሳት ቀሪቦም እዮም። ኣብ ፈላማይ ዋዕላ ውጽኢት ሕትመት ዝኮነት መጽሄት ኣክሱማይ'ውን ናብ ህዝቢ ምብጽሓ’ውን ተበሲሩ። ኣድላይነት እቲ ዋዕላን ምጅማር መጽሄት ኣክሱማይ ኣመልኪቱ ምስ ኣባል ምድላው ማዕኸናት መራከቢ ብዙሃን ኣክሱማይ መንእሰይ ጸጋዝኣብ ኪዳኑ ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8B%8B%E1%8B%95%E1%88%8B-%E1%88%9B%E1%8B%95%E1%8A%A8%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%8A%B8%E1%89%A2-%E1%89%A5%E1%8B%99%E1%88%83%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8A%AD%E1%88%B1%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8A%92%E1%8B%91\/5019973.html"} {"headline":"ካልኣይ ኮንፈረንስ ምሁራን ትግራይ ይካየድ'ሎ","content":"ካልኣይ ኮንፈረንስ ምሁራን ትግራይ ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ መቐለ ተጀሚሩ። እቲ ኮንፈረንስ ንሓሙሽተ መዓልታት ዝፀንሕ ኮይኑ “ትግራይ ሐዚኸ ናበይ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ’ዩ ዝካየድ ዘሎ:: ኣብቲ ትማሊ ዝተጀመረ ካልኣይ ኮንፈረንስ ምሁራን ትግራይ ኣብ ጉዳይ ምሕደራ፣ ጥዕና፣ ትምህርቲ: ቴክኖሎጂን ካልኦት ጉዳያትን ጠመተ ዝገበሩ ኣብ 14 ዓውድታት ዝቐረቡ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ብተሳተፍቲ ዘተ ይካየደሎም ኣሎ:: “ትግራይ ሐዚኸ ናበይ\" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይካየድ ዘሎ ኮንፈረንስ ዝኸፈቱ ምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል “ትግራይ ንምልዋጥን ፀገም ህዝቢ ንምፍታሕ ካብ ስምዒትን ዕግርግርን ወፂኢና ብስርዓትን ብሓድነት ክንሰርሕ ይግባእ” ኢሎም:: ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ ፈላማይ ኮንፈረንስ ምሁራን ትግራይ ቀሪቦም ካብ ዝነበሩ መፅናዕትታት ተጠቃሚነት ሕብረተሰብ ንምርግጋፅ ናብ ተግባር ዝተሰጋገሩ ከምዘለው ድማ ገሊፆም:: ንሶም ብተወሳኺ ኣብ ፍልጠት ዝተመሰረተ ዕብየት ክመፅእ ምሁራን ግደኦም ከበርክቱ ይግባእ ኢሎም። ዶክተር ደብረፅዮን ምሁራን ተጋሩ ብተወፋይነት ንህዝቢ ትግራይ ንምግልጋል ቆሪፅኩም ተላዒልኩም ኣለኹም እሞ ምስጋና ይግበአኩም ኢሎሞም:: መንግስቲ ክልል ትግራይ’ውን ኣብ መፅናዕቲ ዝተደረኸ ልምዓት ከምዝፍፅም ዝገለፁ ዶክተር ደብረፅዮን መንግስቶም እቶም ምሁራን ንዘካይድዎ መፅናዕቲ ሓገዝ ከምዝገብር ቃል ኣትዮም። ዶ\/ር ደብረጽየን ቀጺሎም ሰላም ክልል ትግራይ ቀንዲ ዋኒንና እዩ: ሰላም ክልል ትግራይ ውሑስ ብምዃኑ ድማ ወፍሪ ትግራይ ይውስኽ ኣሎ ኢሎም። ፕረዚዳንት ኮሚቴ ዓለምለኸ ምሁራን ትግራይ ዶክተር ገብረኪዳን ገብረስላሰ ኣብኩሉ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ምሁራን ትግራይ ቅድሚ ሓደ ዓመት ተወዲቦም ዝጀመርዎ ምንቅስቓስ ለውጢ የምፅእ ኣሎ ኢሎም። ብፍላይ ኣብ ፍልጠትን ቴክኖሎጂን መሰረት ዝገበረ ማሕበረሰብ ብምፍጣር ኣብ መድረኽ ዓለም ተወዳዳሪ ዕብየት ምምዝጋብ ይከኣል እዩ ኢሎም:: ብኻልእ ዜና መንግስቲ ትግራይ ካብ ህዝቢ ሓገዝ ገንዘብ ብዝሓተቶ መሰረት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ እቶት መተኣኻኸቢ መድረኽ 540 ሚልዮን ብር ዝተረኸበ ኮይኑ ትማሊ ድማ ካልኣይ ዙር ቴሌቶን ተኻይዱ 116 ሚልዮን ብር ንምብርካት ቃል ተኣትዩ እዩ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A3%E1%8B%AD-%E1%8A%AE%E1%8A%95%E1%8D%88%E1%88%A8%E1%8A%95%E1%88%B5-%E1%88%9D%E1%88%81%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%88%8E\/5019738.html"} {"headline":"ሬሳ 62 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ከተማ ኮምስ ሊብያ ምርካቡ ተገሊጹ","content":"ሰራሕተኛታት ቀይሕ ወርሒ ብቐዳም ሬሳ 62 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ከተማ ኮምስ ምርካቦም ገሊጾም። ኣስታት 300 ስደተኛታት ጽዒና ትጉዓዝ ዝነበረት ጀልባ ብሓሙስ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ድሕሪ ምጥሓላ ሃለዋት 115 ካብቶም ስደተኛታት ከምዘይተረኽበ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ። ኣቐዲሙ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኣስታት 150 ካብቶም ስደተኛታት ሞይቶም ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም ብምባል ’እቲ ዝኸፍአ ናይዚ ዓመት ሓደጋ ማእከላይ ባሕሪ’ ክብል ነቲ ፍጻመ ምግላጹ ይዝከር። No media source currently available ገለ ካብቲ ዝተረኽበ ሬሳ ስደተኛታት ኣብ ከተማ ታጁራ ምቕባሩ ተፈሊጡ’ሎ። እቶም ስደተኛታት ካብ ሃገራት ኤርትራ፡ግብጺ፡ሱዳንን ሊብያን ዝመጹ ምዃኖም ሰበ ስልጣን ሊብያ ሓቢሮም ኣለው። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AC%E1%88%B3-62-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%88%E1%88%9B%E1%8C%8D%E1%88%9D-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%AE%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%8A%E1%89%A5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%AB%E1%89%A1-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5019640.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ ኣምቦ ልዕሊ 500 ሰባት ምእሳሮም ነበርቲ ገሊጾም","content":"ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ከተማ ኣምቦ ኣብዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 500 ሰባት ተአሲሮም ክብሉ ስሞም ከይጥቀስ ዝሓተቱ ነበርቲ ገሊጾም። እቶም ነበርቲ ሰባት ምእሳሮምን ኣብ ልዕሊ ስድራ ቤቶም’ውን ጉድኣት ይበጽሕ ኣሎ ኢሎም። ኣብ ኣምቦ ቤት ጽሕፈት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ጸሓፊ ዝኾኑ ኣቶ መአብዲስ ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልታት ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ከምዝትታሕዙ ስሞም ክግለጽ ዘይደልዩ አባል ስድራ ቤቶም ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A6-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-500-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%88%B3%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/5017205.html"} {"headline":"ምሁራን ዴኢህዴን ንሕቶ ክልል ዝምልከት ዘዳለዎ መጽናዕታዊ ሰነድ ዘትዮምሉ","content":"ገዛኢ ፓርቲ ደቡብ ክልል ኢትዮጵያ ዝመወሎን ንምክላል ዝምልከት መፅናዕታዊ ሰነድ ምሁራን ተዘትይሉ።እቲ መፅናዕቲ ደቡብ ክልል ሓደ ኮይኑ ክቕፅል ዝሓሸ መማረፂ ምዃኑ ይጠቅስ።ወይኸአ ካብ ክልተ ክሳብ ሓሙሽተ ኣብ ዝበፅሓ ሓደሽቲ ክልላት ክኽፈል እውን ከም ካልኣይ መማረፂ ቀሪቡ’ሎ።እቲ ናይ ምሁራን ሰነድ ሳልሳይ መማረፂ እውን ኣቕሪቡ’ሎ። ልዕሊ 20 ሚሊዮን ህዝቢ፣21 ዞባታት፣ሰለስተ ፍሉይ ወረዳታትን፣209 ወረዳታት ኣብ ዝሓቖፈ ክልል ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ ይልዓሉ ዘለው ሕቶታት መፃኢ ኩነታት ንጹር ከይኸውን ገይሮም’ዮም። ካብ 21 ዞባታት እተን 10 ክልል ናይ ምዃን ሕቶ ኣቕሪበን ኣለዋ።ገዛኢ ፓርቲ እቲ ክልል ዝኾነ ናይ ደቡብ ኢትዮጵያ ህዝብታት ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ\/ዴኢህዴን\/ ብሳይንሳዊ ኣገባብ ኣፅኒዐዮ ዝበሎ ሰነድ ወግዓዊ ገይሩ’ሎ። 20 ኣባላት ዝሓቖፈ ጉጅለ ምሁራን ድልየት ነበርቲ ናይቲ ክልልን ካልኦት ኩነታትን ኣብ ግምት ዘእተወ ዝበሉዎ ሰለስተ መማረፂታት ኣቕሪቡ’ሎ።ቀዳማይን ዝሓሸን ዝበሉዎ ክልል ደቡብ በቲ ሕጂ ዘለዎ ክቕፅል ምግባር እዩ።ካልኣይ መማረፂ ኣብ ካብ ክልተ ክሳብ ሓሙሽተ ሓደሽቲ ክልላት ምምቃል ዝብል ክኸውን ከሎ ሳልሳይ መማረፂ ፖለቲካዊ ኩነታት ናይታ ሃገር ክሳብ ዝረጋጋእ እቲ ሕቶ ክፀንሕ ምግባር ዝብል እዩ። ምሁራን ንውፅኢት ናይቲ መፅናዕቲ ርእይቶ ሂቦምሉ ኣለው።መራሒ ኢዜማ ዶ\/ር ብርሃኑ ነጋ ገዛኢ ፓርቲ ናይቲ ክልል ፖለቲካዊ ውሳነ ኣብ ዝወሰነሉ እዋን ናይቲ መፅናዕቲ ፋይዳ ግልፂ ኣይኮነን ይብሉ ። “እቲ ውድብ ሲዳማ ክልል ክኸውን ኣለዎ ኢሉ ስለዝወሰነ ናብ ቅልውላው ኣቲና ኣለና።እዚ መፅናዕቲ ንፖሊሲ እታዎት ዝውዕል እንተኾይኑ ኣብቲ ውድብ ወይ ሕብረተሰብ ግንዛበ ምስተፈጥረ ክወፅእ ነይሩዎ።ነዊሕ ሳዕቤን ዘለዎ ውሳነ ምስ ተውሃበ፣ህዝቢ ምስተራፀመ፣ብዙሕ ደም ሰብ ምስ ፈሰሰ፣ብዙሕ ንብረት ምስ ዓነወ ሕጂ ኣብዚ መፅናዕቲ ንዘራርበሉ ምኽንያት ንፁር ኣይኮነን።” ምኽትል ኣደ ወንበር ናይቲ ዘፅንዐ ጉጅለን ኣባል ፈፃሚት ስራሕ ዴኢህዴንን ዶ\/ር ኤርጎጌ ተስፋየ ከምዚ ክብላ መልሲ ሂበን። “ስቕ ኢልና ንምዝርራብ ጥራሕ ኣይኮናን ንዛተየሉ ዘለና።ምሁራን ተዘራሪቦምሉ ንምባል እውን ኣይኮነን።እቲ መፅናዕቲ ሒዙዎ ዝመፀ ውፅኢት ኣሎ። ንምውሳን ግን እዚ ምይይጥ ጠቓሚ እዩ፤ካብዚ ንወስዶ እታዎት ኣሎ ዝብል እዩ።” ኣማኻሪ ጥዕና ማሕበረሰብ ዝኾኑን ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ርእይቶም ብምሃብ ዝፍለጡን ዶ\/ር ኤርሲዶ ሌንደቦ ደቡብ ካብ ክልተ ክሳብ ሓሙሽተ ክልላት ምኽፋል ዝሓሸ መማረፂ እዩ ይብሉ። “ደቡብ ከም ሓደ ክልል ክቕፅል ኣለዎ ዝብል ናይ መጀመሪያ ምርጫ ዝክኣል ኣይመስለንን።ምኽንያቱ ዞባ ሲዳማ ክልል ናይ ምዃን ሕቶ ቦርድ ምርጫ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ህዝበ ውሳነ ክካይድ እዩ ኢሉ ወሲኑ’ሎ።ስለዚ ደቡብ ሓደ ክልል ጌርኻ ንምቕፅል ዝክኣል ኣይመስለንን።” ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዝሒ ህዝቢ ክልል ደቡብ 22 ሚሊዮን ከምዝበፅሐ ዝገለፁ ዶ\/ር ኤርሲዶ ኣብ ሓደ ክልል ክኾኑ ፅቡቕ ኣይኮነን፤ናብ ዘይምእኹል ኣወዳድባ ክቕየር ኣለዎ ኢሎም። ዲፕሎማት ብምዃን ብዙሕ ዓመታት ዘገልገሉ ኣምባሳደር ጥሩነህ ዜና ብወገኖም ደቡብ በቲ ሕጂ ዘለዎ ክቕፅል ዝሓሸ መማረፂ እዩ ኢሎም። “እንተተኻኢሉ እቲ ቐዳማይ ምርጫ እየ ዝድግፎ።ዓብዪ ምዃን ረብሓ ኣለዎ።ስለምንታይ ይመስለካ ቻይና ፅልውኣ እናዓበየ ዝመፅእ ዘሎ?ብቁጠባ ይኹን ብዝሒ ህዝቢ ዓባይ ስለዝኾነት እዩ።ኣሜሪካ ስለምንታይ እያ ንዓለም ትገዝእ ዘላ?በብዝሒ ህዝቢ ይኹን ብቁጠባ ዓባይ ስለዝኾነት እዩ።ንእሽተይ እንተኾይንኻ ዝሰምዐካ የለን፤ንእሽተይ ኢኻ።ረብሓ ንዘይብሉ ንምንታይ ኢኻ ትንእስ?” ኣምባሳደር ጥሩነህ ብምስዓብ ንኢስካ ምርካብ ረብሓ ከምፅእ ኣይርኣኹን ኢሎም።ናይ ኢትዮጵያ ፌደራል መንግስቲ ገንዘብ ዘከፋፍል በብዝሒ ህዝብን መጠን ድኽነትን ስለዝኾነ ንእሽተይ ክልል ብምዃን ዘምፅኦ ረብሓ ኣይረኣየንን ኢሎም። እተን ክልላት ብዝበልፀ ስልጣን ተወሂቡወን ባዕለን ሓሲበንን ተሊመንን ክሰራሓን ነንባዕለን ክወዳደራን እየ ዝደልይ፤ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ብዝተቐመጠ መሰረት ስልጣን ናብ ዞባን ወረዳን ክወርድን ኣብ ክልል ዝስራሕ ኣብ ዞባታት ክፍፀም ኣለዎ ኢሎም። ሕገ መንግስትን ኣብታ ሃገር ዘሎ ፌደራሊዝምን ናይቲ ፀገም ምንጪ እዮም ዝበሉ ተሳተፍቲ እውን ርእይትኦም ሂቦም ኣለው። ዞባ ሲዳማ፣ከተማ ሃዋሳ ከምኡ እውን ፍሉይ ወረዳ ኣማሮን ሰለስተ ወረዳታት ዞባ ጉራጌን ኣብቲ መፅናዕቲ ከምዘይትሓወሳ ተፈሊጡ’ሎ።ይኹን እምበር ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ካብቶም ከባቢታት ስምዒቶም ከምዝተነፀባረቐ ተገሊፁ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%88%81%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8B%B4%E1%8A%A2%E1%88%85%E1%8B%B4%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%95%E1%89%B6-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%8B%B3%E1%88%88%E1%8B%8E-%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%8A%93%E1%8B%95%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%88%B0%E1%8A%90%E1%8B%B5-%E1%8B%98%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%88%9D%E1%88%89\/5017176.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ ዝበዝሑ ኤርትራዊያን ዝኾኑ ኣስታት 150 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምሟቶም ገሊጹ","content":"ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣስታት 300 ስደተኛታት ጽዒና ካብ ሊብያ ተበጊሳ ናብ ኣውሮጳ ትጉዓዝ ዝነበረት መርከብ ኮመስ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ብምጥሓላ ኣስታት 150 ስደተኛታት ምሟቶም ሓቢሩ’ሎ። ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ብወገኑ ትማሊ ሓሙስ ኣስታት 134 ስደተኛታት ብገፈፍቲ ዓሳ ምድሓኖምን ሃለዋት 115 ስደተኛታት ከምዘይተፈልጠ ገሊጹ’ሎ ። መብዛሕትኦም እቶም ስደተኛታት ኤርትራዊያን ምዃኖምን እቶም ካልኦት ድማ ካብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝመጹ ምዃኖም ተሓቢሩ’ሎ። ብመሰረት ካብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዝተረኽበ ሓበሬታ ሓደ ካብቶም ዝደሓኑ ኤርትራዊ ስደተኛ ብዛዕባ’ቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ከምዚ ይብል። No media source currently available “ንኣስታት ሓደ ሰዓት ምስ ተጉዓዝና እቲ ሓደጋ አጋጢሙና እታ ተጻዒናያ ዝነበርና ጀልባ ጥሒላ። ብዘይኻ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ዝበዝሓ ኣብታ መርከብ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ሞይተን እየን። ኣስታት ሸውዓተ ሰዓት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጸኒሕና ክረድአና ዝመጸ ኣካል የለን ገዛእ ርእስና ኢና ኣድሒና” ይብል። ዓብደላ ኣሕመድ ዓብዱላሂ ዝተባህለ ካልእ ስደተኛ ድማ “ኣስታት 300 ስደተኛታት ኢና ኔርና። ክንጥሕል ምስ ጀመርና ልዕሊ ሚእቲ ዝኾኑ ሞይቶም። ደቂ ኣንስትዮ፡ህጻናት ኹለን እተን ኣዋልድ ሞይተን። ኣልሓምዱላሂ ንኣስታት ሸውዓተ ሰዓታት ሓንቢስና ብገፈርቲ ዓሳ ሓገዝ ድሒና ኣስታት 100 ንኸውን ድሒና። ሕጂ’ውን ክልተ መዓልታት ጌርና አለና ክሕግዘና ዝመጸ አካል የለን። ሬሳታት ንርእይ ኣለና ግን ኸአ ሕጂ’ውን ኣብ መሬት ኮይና ንሞት ንቃለስ አለና “ ይብል። እቶም ስደተኛታት ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ተታሒዞም ናብ ኣብ ኮመስ ዝርከብ መዳጎኒ ማእከል ከምዝተወስዱ መራኸቢ ብዙሃን ዓለም ምስ ጸብጸባ ናብቲ ቦታ ደዊልን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ሓላዊ’ቲ መዳጎኒ ማእከል መግቢ ኾነ እኹል ቦታ የብለይን ብማለት ናብቲ ማእከል ከይኣትው ከምዝከልከለ ኣብቲ መዳጎኒ ማእከል ዝጸንሑ ስደተኛታት ሓቢሮምና። ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ቻርሊ ያክስሊ ብዛዕባ እቲ ትማሊ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዘጋጠመ ምጥሓል ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጀልባ ብዝምልከት እቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ኩነታት ዝተሓላለኸ ምዃኑ ብምግላጽ ከምዚ ኢሎ። “ትካልና ብዛዕባ እቶም ስደተኛታት ዝመጽሉ ሃገራት እኹል ዝኾነ ኣፍልጦ ኣለዎ። ንዜግነት እቶም ስደተኛታት ንፈልጦ ኢና ብተወሳኺ አባላትና ምስቶም ስደተኛታት ይዘራረቡ እዮም። ታሪኾም ንሰምዖ ኢና። ካበይ ከምዝመጹ እንተነገሩና’ውን ባዕልና’ውን ነጻርይ ኢና።ካብ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ኣጸጋሚ ኩነታት ሃዲሞም ኣውሮጳ ከነብጽሓኹም ኢና ብዝብሉ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ሰባት ናብ ሊብያ ይመጹ። ኣብዚ ድማ ተመሳሳሊ ወይ’ውን ዝኸፍአ ኩነታት ይገጥሞም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ብፍላይ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ንደሓር ኣብ ሊብያ ብዝረአይ ዘሎ ኹናት ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝደልዩ ስደተኛታት ጥራይ ዘይኾነ ንዝኾነ ሲቪል ሰብ ኣጸጋሚን ኣስጋኢን ኩነታት እዩ ዘሎ” ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%8B%9D%E1%88%91-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%8A%BE%E1%8A%91-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-150-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%88%E1%88%9B%E1%8C%8D%E1%88%9D-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%88%8A%E1%89%A5%E1%8B%AB-%E1%8C%A5%E1%88%92%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/5016920.html"} {"headline":"ዴህዴን ንከንቲባ ሃዋሳ ሓዊሱ ንላዕለዎት መራሕቲ ዞባታት ሲዳማን ሃድያን ካብ ሓላፍነቶም አጊዱ","content":"ኣብ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ክልል ደቡብ ምስ ዝተፈጥረ ፀገም ጸጥታ ብዝተኣሳሰረ ገዛኢ ውድብ ናይቲ ክልል ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ደቡብ\/ዴህዴን\/ ንከንቲባ ከተማ ሃዋሳ፣ላዕለዎት መራሕቲ ዞባታት ሲዳማን ሃድያን ካብ ሓላፍነቶም ኣጊዱ።ዴህዴን ናይ ላዕለዎትን ማእኸለዎትን ኣመራርሓ ኣኼብኡ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ሃዋሳ ጀሚሩ’ሎ። ዴህዴን ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሽም ናይቶም ዝተኣገዱ ሓለፍቲ ይኹን ናይቶም ዝተክኡዎም ኣይገለፀን።እቲ ውድብ ንኣማሓዳሪ ከተማ ሃዋሳ፣ሰበስልጣን መንግስትን ውድብን ዞባታት ሲዳማን ሃዲያን ካብ ሓላፍነቶም ብምእጋድ ንኣባላት ኣመራርሓ ዞባታት ወላይታን ከፋን እውን መጠንቐቕታ ሂቡ’ሎ። ኣብዚ ሰሙን ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ፀገም ፀጥታ ስዒቡ እቲ ውድብ ኣብዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ እቶም ሰበስልጣን ኣብቲ ዝተፈጥረ ፀገም ተሳተፍቲ እዮም ኢሉዎም ኣሎ። ክልል ናይ ምዃን ሕቶ ብዝተፀንዐን ብሕጋዊ ኣገባብ ንምምላስ በቲ ውድብ ኣብ ስምምዕ እንተተበፅሐ እውን ካብ ውሳነ ውድብን መንግስትን ወፃኢ ዝተፈፀመ ዘይሕገመንግስታዊ ተግባር ስዒቡ ኣብ ዞባ ሲዳማ ኣብ ህይወትን አካልን ሰብ፣ንብረትን ስነኣእምሮን ኢሰብኣዊ ተግባር ተፈፂሙ’ሎ ክብል ኮኒኑዎ’ሎ። እቲ ውድብ ብተወሳኺ ግዳያት ዳግም ንምጥያስ ብቕልጡፍ ክስራሕን ነቲ ጥፍኣት ዝመርሑ፣ ዘተሓባብሩን ዝተሳተፉን ናብ ሕጊ ንምቕራብ ዝተጀመረ ስራሕ ኣሓይሉ ክቕፅል እዩ ኢሉ’ሎ ። ኣብ ካልኦት ከባቢታት እቲ ክልል ይርኣዩ ዘለው ስርዓት ኣልቦነት ብቕልጡፍ ደው ንምባልን ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ ከምዝሰርሕ እውን ሓቢሩ።እቲ ክልል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ወታደራዊ እዚ ፌደራል ወዲቑ’ሎ። ኣብ ዞባ ወላይታ እውን ካብ ኣመራርሓ ወፃኢ ተፈፂሞም ዝተባህሉ ምንቅስቓሳት ብህጹፅ ደው ክብል ብምትሕስሳብ ኣብ ዞባ ከፋ ተኻይዱ ዝበሎ ተግባር እውን ብሕጊ ዘሕትት እዩ ኢሉ’ሎ። ብኻልእ ዜና ዴህዴን ሎሚ ሓሙስ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ኣኼብኡ ጀሚሩ’ሎ።ኣዶ መንበር ዴህዴንን ናይ ኢትዮጵያ ናይ ሰላም ሚንስትርን ወ\/ሮ ሞፈሪያት ከማል እቲ ኣኼባ ክልተ ዕላማታት ዝሓዘ እዩ ኢለን። “እቲ ፈላማይ ኣብ ሃገራውን ክልላውን ዘሎ ፖለቲካዊን ፀጥታውን ጉዳያት ብዝምልከት ምምይጥ ብምክያድ ኣብቲ ጉዳይ ግልፅነት ንምፍጣርን እዋኑ ዝሓቶ መሪሕነት ንምርግጋፅን እዩ።ብደረጃ ሃገርን ክልልን ዘጋጠመ ፖለቲካውን ፀጥታውን ፀገማት ከምኡ እውን ነቲ ክልል ይመርሕ ዘሎ ውድብ ዝሓዞ መርገፂ ንምዝርራብ እዩ።” ካልኣይ ዕላማ እቲ ኣኼባ ንድልየት ለውጢ ናይቲ ህዝቢ ብዝግባእ ሰሚዕኻ ንምምራሕ እዩ ኢለን።ብጥብቕ ሓለዋ ዝጀመረ ጉባኤ ዴህዴን ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሽዱሽተ መዓልታት ከምዝፀንሕ ተፈሊጡ’ሎ።ሚዲያታት ወፃኢ ግን ካብ በሪ ተኸልኪሎም ተመሊሶም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B4%E1%88%85%E1%8B%B4%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8A%A8%E1%8A%95%E1%89%B2%E1%89%A3-%E1%88%83%E1%8B%8B%E1%88%B3-%E1%88%93%E1%8B%8A%E1%88%B1-%E1%8A%95%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%88%B6%E1%89%A3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%B2%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8A%95-%E1%88%83%E1%8B%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%88%8B%E1%8D%8D%E1%8A%90%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%A0%E1%8C%8A%E1%8B%B1\/5015510.html"} {"headline":"ናይ ኣምሓራ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ 28 ኣባላቱን ደገፍቱን ምእሳሮም ገሊፁ","content":"ናይ ኣምሓራ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ\/ኣብን\/ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤት ፍርዲ ናይ ዝቐረቡ ኣባላት ኣመራርሓ ከይዲ ንምክትታል ዝተረኸቡ ኣስታት 28 ኣባላቱን ደገፍቱን ምእሳሮም ገሊፁ። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኣብን ኣቶ በለጠ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ “ኣምሓራዊነትን ሓቅን ኣይእሰርን’ ዝብል ቲሸርት ስለዝተኸድኑ 28 ዝኾኑ ኣባላትና መገባእያ ካብ ዝካየደሉ ሜዳ ተታሒዞም ናብ ኣራዳ ወረዳ 9 ፖሊስን ካልእን ተወሲዶም ኣለው” ኢሎም።ንሶም ብተወሳኺ ብሰንኪ ዝተኸደኑዎ ክዳን ክእሰሩ ኢሰብኣዊ እዩ ኢሎም ። ትማሊ ኣብ ቁፅፅር ዝውዓሉ ሰባት ሎማ ረቡዕ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ብነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ሽሕ ብር ከቕርቡ ተሓቲቶም ኣለው።ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ካብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ መብርሂ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይተዓወተን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/5014001.html"} {"headline":"ክልላዊ መንግስቲ ናይ ምዃን ሕቶን ፈተናታቱን","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ክልል ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ክልል ክንኸውን ኢና ዝብል ሕቶ ኣብ ምቕራብ ይርከቡ።ሕቶታት ምቕራብ ጥራሕ ከይኮነ ድማ ምኽንያት ቅልውላው ኮይኑ ቀፂሉ’ሎ። ብፍላይ ድማ ምስ ናይ ሲዳማ ክልል ናይ ምዃን ሕቶ ብዝተኣሳሰረ ዝተልዓለ ዕግርግን ግጭትን መንቀሊ ሞት ዓሰርተታት ሰባት፣ምምዝባልን ምዕናውን ንብረት ኮይኑ ኣብቲ ክልል ዝለዓለ ወጥሪ ፈጢሩ’ሎ። ንምዃኑ እቲ ሕገ መንግስቲ ክፀድቕ ከሎ ልዕሊ 60 ብሄርን ብሄረሰባትን ልዕሊ 10 ሚሊዮን ነበርትን\/ኣብ 1986 ዓ\/ም ዝነበረ በዝሒ ህዝቢ እዩ\/ዝሓቖፈ ከባቢ ኣብ ሓደ ክልል ክሕቆፉ፣ኣስታት 131 ሽሕ በዝሒ ህዝቢ ዝነበሮ ክልላዊ መንግስቲ ሃረሪ ድማ ክክል ክኸውንን እቲ ምኽንያት እንታይ እዩ ነይሩ?ሕገ መንግስታዊ ኣፈታትሕ ናይ ‘’ክልል ክንኸውን ኢና’’ ዝብል ሕቶ እንታይ እዩ?ሲዳማ ክልል ኮይንና ኣለና ኢሎም ምእዋጆም ሕጋዊ ድዩ?ዝብሉን ካልኦትን ተዛመድቲ ሕቶታት ምሁራ ሕጊ ዝኾኑ ዶ\/ር መሓሪ ረዳኢ መልስን ሪኢቶታቶምን ሂቦምና ኣለው።ዶ\/ር መሓሪ ረዳኢ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ኮሌጅ ትምህርቲ ሕጊ ተሓባባሪ ፕሮፌሰር እዮም። ንምሉእ ትሕዝቱኡ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/the-quest-for-statehood-and-its-ramifications-in-ethiopia\/5012192.html"} {"headline":"ኣቦ መንበር ውድብ ዓረና ትግራይ ዝነበሩ ኣይተ ብርሃኑ በርሀ ዓሪፎም","content":"ኣቦ መንበር ውድብ ዓረና ትግራይ ዝነበሩ ኣይተ ብርሃኑ በርሀ ዓሪፎም:: ኣይተ ብርሃኑ በርሀ ብዝሓደሮም ሕማም ኣብ ኣሜሪካ ክሕከሙ ድሕሪ ምፅናሕ ዝሓለፈ ሰሙን ዓሪፎም: ስነ ስርዓት ቀብሮም እውን ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ተፈፂሙ:: ኣብ ክልል ትግራይ ፈለማ ሰላማዊ ቃልሲ ተቓዋሚ ውድብ ዓረና ትግራይ ንሉአላውነትን ዲሞክራሲን ካብ ዝመስረቱን ነቲ ውድብ እውን ብኣቦ መንበርነት ዝመርሑ ኣይተ ብርሃኑ በርሀ ይፍጠር ብዝሓደሮም ሕማም ክሕከሙ ድሕሪ ምፅናሕ ናብ ኣሜሪካ ንዝሓሸ ሕክምና ድሕሪ ምኻዶም 3 ሓምለ 2011 ህይወቶም ሓሊፋ:: ስነ ስርዓት ቀብሮም ድማ ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ፅርሃኣርያም ቅዱስ ገብርኤል ቤተክርስቲያን ስድራቤት: ፈተውቶም: መቓልስቶምን ካልኦትን ኣብ ዝተረኸብሉ ተፈፂሙ:: ታሪኽ ህይወት አይተ ብርሃኑ በርሀ ከምዘርእዮ ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ ሰሓርቲ ሳምረ ዓዲደቂዓላ ኣብ ዝበሃል ከባቢ 1953 ዓ. ም ተወሊዶም:: ኣብ 1968 ዓ.ም ናይ ህወሓት ሕቡዕ ስርዒት ከተማ ብምዃን ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ ጀሚሮም:: በቲ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሶም ድማ ካብ 1971 ክሳብ 1978 ዓ.ም ብኣግኣዚ ኦፕሬሽን ካብ ማእሰርቲ ክሳብ ዝወፁ ተኣሲሮም ኔሮም:: ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወፁ ምስ ህወሓት ብምኳን ተቓሊሶም:: ድሕሪ ለውጢ መንግስቲ: ኣባል ባይቶ ክልል ትግራይን ብተወሳኺ ድማ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ እቲ ክልል ብምኳን ሰሪሖም:: ካብ መንግስታዊ ስራሕ ብምውፃእ ብውልቀ ስራሓት ጠበቓ ኮይኖም እውን ኣገልጊሎም:: ኣይተ ብርሃኑ ኣብ ሕጊ ዓሚቕ ፍልጠት ዝነበሮምን ንሕጊ ዝጣበቑ ምንባሮም ታሪኮም የረድእ:: ብተወሳኺ ድማ ንዝኣምንሉ ቅዋም ተሪሮም ዝቃለሱ ከምዝነበሩ ይገልፅ:: ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ድማ ኣብ 1997 ዓ.ም ብውልቀ መረፃ ተወዳዲሮም:: ኣብ ትግራይ ፈላማይ ናይ ሰላማዊ ቃልሲ ተቓዋሚ ውድብ ዓረና ትግራይ ኣብ ዝተመስረተሉ ነቲ ውድብ ካብ ዝመስረቱ ሓደ እዮም ኔሮም:: ንዓረና እውን ብኣቦ መንበርነት ንሰለስተ ዓመታት መሪሖም:: ኣብ መፋርቕ 2009 ዓ.ም ካብ ኣቦ መንበርነት ምስ ወረዱ ድማ ክሳብ ህይወቶም ዝሓለፈሉ እዋን ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ እቲ ውድብ እዮም ነይሮም:: ኣይተ ብርሃኑ በርሀ ኣብ 58 ዓመቶም ዕድሚኦም ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈለዩ ኽኮኑ ከለው ኣቦ 4 ቆልዑ ነይሮም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A6-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%8A%93-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A9-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%89%B0-%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%83%E1%8A%91-%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%88%80-%E1%8B%93%E1%88%AA%E1%8D%8E%E1%88%9D\/5012129.html"} {"headline":"ኣብ መቐለ ዝተዳለወ ምትእኽካብ ገንዘብ ልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ብር ንልምዓት ትግራይ ንምብርካት ቃል ተኣትዩ","content":"ትማሊ ኣብ መቐለ ኣብ ዝተዳለወ ምትእኽካብ ገንዘብ 'ቴሌቶን' ልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ብር ንልምዓት ትግራይ ንምብርካት ቃል ተኣትዩ:: ብተበግሶ ተጋሩ ሰብ ሃብትን ነጋዶን ኣብ ከተማ መቐለ ትማሊ ዝተኻየደ መድረኽ መንግስቲ ትግራይ ካብ ህዝቢ ሓገዝ ገንዘብ ብዝሓተቶ መሰረት እዩ:: መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብቲ ክልል ዝተጀመሩ ስራሓት ልምዓት ንምሕያል: ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተመዛበሉ 109 ሽሕ ተጋሩ እግሪ ንምትካልን ደሕንነት እቲ ክልል ንምሕላው ብዝብል ካብ ህዝቢ ሓገዝ ገንዘብ ንምትእኽኻብ ብዘቕረቦ ፃውዒት መሰረት ትማሊ ቴሌቶን ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ:: ኣብቲ ብተበግሶ ተጋሩ ሰብሃብትን ነጋዶን ዝተዳለወ መድረኽ 250 ሚልዮን ብር ንምርካብ ተተሊሙ ልዕሊ 540 ሚልዮን ብር ካብ ለገስቲ ቃል ተኣትዩ:: No media source currently available ኣብቲ ቴሌቶን ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት) ዘወፈዮ 50 ሚልዮን እቲ ዝለዓለ መጠን ገንዘብ ኮይኑ ተመዝጊቡ:: ምክትል ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶ\/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል : ኩሉ ትግራዋይ ንልምዓት ትግራይ ብገንዘቡ፣ ብፍልጠቱን ብኽእለቱን ክሳተፍ ኣለዎ ኢሎም:: ብናይ መንግስቲ በጀት ጥራሕ ፀገም ድኽነት ትግራይ ኣይፍታሕን ዝበሉ እቶም ምክትል ኣመሓዳሪ: ንዕብየት ትግራይ ዘበርከቱ ኣካላት ድማ ኣመስጊኖም። ስእነት ስራሕ ንምፍታሕ ካብ ድኽነት ንምውፃእን ሓላፍነት ኩሉ ትግራዋይ እዩ ክብሉ ድማ ተዛሪቦም:: ኣብዚ ሐዚ እዋን ግዜኦም ኣብ ዘረባ ዘሕልፉ ወገናት ናብ ስራሕ ክኣትው ይግባእ: ትግራይ እትጠልቦ ስራሕ ክሰርሑ ይግባእ ብምባል’ውን ኣተሓሳሲቦም። ትማሊ ኣብ ዝነበረ መድረኽ እቶት ምትእኽኻብ ካብ ተወለድቲ ትግራይ ብተወሳኺ ካብ ክልላት ኣምሓራ: ዓፉርን ኤርትራን ሓገዝ ከምዝተበርኸተ ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ እዩ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%B3%E1%88%88%E1%8B%88-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8C%88%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%89%A2%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%AD-%E1%8A%95%E1%88%8D%E1%88%9D%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%8A%AB%E1%89%B5-%E1%89%83%E1%88%8D-%E1%89%B0%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%A9\/5010746.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ ሃዋሳ ዝተላዕለ ግጭት ሎሚ’ውን ቀጺሉ’ሎ","content":"ትማሊ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ዝተለዓለ ግጭት ሎሚ እውን ኣብ ዞባ ሲዳማ ኣብ ዝርከባ ካልኦት ከተማታት ቀፂሉ ከምዝወዓለን በቲ ግጭት ሰባት ምሟቶም ነበርቲ እቲ ከባቢ ይገልፁ ኣለው። እቲ ናይ ሎሚ ጎንፂ መልክዑ ቀይሩ መንነት ፈልዩ ምዝራፍን ንብረት ምዕናውን ምንዳድን ዝአመሰሉ ገበናት ተፈፂሙ’ሎ ክብሉ ነበርቲ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም። No media source currently available መንግስቲ ተወሳኺ ሰራዊት ናብቲ ዞባ ኣእቲዩ ሰላም ከስፍንን ድሕንነቶም ክሕልውን እውን ሓቲቶም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%83%E1%8B%8B%E1%88%B3-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%89%80%E1%8C%BA%E1%88%89-%E1%88%8E\/5007733.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ዘካየዶ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ፈጺሙ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኤርትራ ዘካየዶ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ ሎሚ ዓርቢ 19 ሓምለ 2019 ናብ ሃገሩ ተመሊሱ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ኣማኻሪኡ ኣቶ የማነ ገብረኣብን ከኣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ተራኺቦም፡ ኣፋንዮሞ። ቀንዲ ዕላማ ናይ’ዚ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ፡ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ቀዳማይ ዓመት ምኽንያት ብምግባር፡ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተሰርሑ ስርሓት ንምግምጋምን ኣብ ቀጻሊ ንዝስርሑ ሓባራዊ ናይ ልምዓት መደባት ንምምይያጥን ከምዝኾነ ሚንስትር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ኣቶ ኣሕመድ ሽዴ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B6-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%99-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%8A%E1%88%B1\/5007646.html"} {"headline":"መንግስቲ ክልል ዓፋር ዘካየዶ ተሃድሶ ረብሓ ብዙሓን ዘየገናዘበን ዘይምርድዳእ ዝፈጥር'ዩ ክብሉ ፓርትታት ፖለቲካን ነበርቲን ገሊፆም","content":" ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ክልል ዓፋር ዘካየዶ ፖለቲካዊ ተሃድሶ ረብሓ ብዙሓን ዘየገናዘበን ኣብ መንጎ ህዝብታት ዘይምርድዳእ ንኽፍጠር ዝገብር’ዩ ክብሉ ፓርትታት ፖለቲካን ገለ ነበርቲ ከተማ ኣሳይታን ገሊፆም። ናይ ህዝብታት ዓፋር ፍትሕን ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ አቦ መንበር ኣቶ መሃመድ ዳውድ ከምዝበልዎ ኣብታ ሃገርን ኣብቲ ክልልን ለውጢ ንክመጽእን ዝለዓለ ቃልስን መስዋእነትን እንተገበሩ’ኳ ኣብቲ ክልል’ቲ መስዋእትነት ዝተኸፈለሉ ለውጢ ኣይመጽእን ኢሎም። ብዛዕባ’ዚ ዝተዋህበ ርእይቶን ቅሬታን ካብ’ቲ ነቲ ክልል ዘመሓድር ዘሎ ናይ ዓፋር ብሄራዊ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ ምላሽ ንምርካብ ዝተካየደ ፃዕሪ ኣይሰመረን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD-%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B6-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%89%B0%E1%88%83%E1%8B%B5%E1%88%B6-%E1%88%A8%E1%89%A5%E1%88%93-%E1%89%A5%E1%8B%99%E1%88%93%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%8B%A8%E1%8C%88%E1%8A%93%E1%8B%98%E1%89%A0%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8E-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8B%B5%E1%8B%B3%E1%8A%A5-%E1%8A%95%E1%8A%BD%E1%8D%8D%E1%8C%A0%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%AD-%E1%8B%A9-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB%E1%8A%95-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8D%86%E1%88%9D\/5006236.html"} {"headline":"ኢሰመጉ ሕቶ ክልል ሲዳማ ዝምልከቶም ወገናት ነቲ ፀገም ብሰላማዊን ሕጋውን ኣገባብ ንምፍታሕ ክሰርሑ ሓቲቱ","content":"ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ\/ኢሰመጉ\/ ሕቶ ክልል ሲዳማ ብዝምልከት መንግስትን ዝምልከቶም ወገናትን ነቲ ፀገም ብሰላማዊን ሕጋውን ኣገባብ ንምፍታሕ ብሓባር ክሰርሑ ሓቲቱ።ኣብ ባህርዳርን ኣዲስ ኣበባን ዝተፈፀመ ዘሰቅቕ ቅትለት ሰበስልጣን መንግስቲ ስዒቡ ፖሊስ ንተጠርጠርቲ ይሕዘሉ ዘሎ ኣገባብ ኣብቲ ለውጢ ዝተርኣየ ተስፋ ዘፀልምት እዩ ክብል’ውን እቲ ትካል ወሲኹ ኣፍሊጡ። ኢሰመጉ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት ሓደ ዓመት ኣብታ ሃገር ብመስርሕ ለውጢ ዝተረኸቡ ውፅኢታትን ዘጋጠሙ ፀገማትን ብፍላይ ድማ የስግኡ’ዮም ዝበሎ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ዘርዚሩ’ሎ። ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ተጀሚሩ ዝነበረ ተስፋ ዝህብ ስጉምቲ ካብ እዋን ናብ እዋን ክሽርሸር ድሕሪ ምፅናሕ እቲ ኩነታት ሎሚ ኣብዝተሓሳስብ ደረጃ በፂሑ’ሎ ክብል ስግኣቱ ገሊፁ’ሎ። ኣብ ጉዳይ ናይ ሲዳማ ሕቶ ክልል ብዝተኣሳሰር ንኹሎም ወገናት ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ።ዳይሬክተር ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ጉባኤ ኣቶ ቢንያም ኣባተ ኣብ ከተማ ሃዋሳን ከባቢኣን ዝነብሩ ዜጋታት ኣብ ስግኣት ዘውደቐ ብምዃኑ ናይ ፀጥታ ስግኣት እውን ልዕል ናብ ዝበለ ደረጃ ምብፅሑ ምልክታት ተራእዮም ኣለው ኢሎም። “መንግስቲ፣ሽማግለታት ዓዲ፣ከምኡ እውን ነቲ ሕቶ የተሓባብሩ ዘለው ኣካላትን ምሁራትን ብቕልጡፍ ሓባራዊ ፍታሕ ብምንዳይ ነቲ ስግኣት ከሕድኡ ወይ ከምዚ ዝበለ ስግኣት ከይልዓል ከምኡ እውን እቲ ሕቶ ብሰላማዊን ሕጋውን ኣገባብ ክፍታሕ ሓቢሮም ክሰርሑ ኢሰመጉ ኣጥቢቑ ይሓትት።” ብኻልእ ወገን ኢሰመጉ ቅድሚ ሰሙናት ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ባህርዳርን ዝተፈፀሙ ቅትለታት ስዒቡ መንግስቲ ይወስዶ ዘሎ ስጉምቲ መጠነ ሰፊሕ እዩ ኢሉዎ’ሎ ።ብፍላይ ድማ ይውሰድ ዘሎ ማእሰርቲ ቅድሚ ለውጢ ዝነበረ ናይ ዓፈናን ፀቕጥን ስርዓት ዘዘኻኽር እዩ ኢሉዎ’ሎ። “ ወፍሪ ማእሰርቲ ኣባላት መራሕቲ ተነሓናሕቲ ፓርትታት ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፅንኩር ሕቶ ዘልዕሉ ውልቀሰባት ዝሓወሰ ምዃኑ ነቲ ናይ ለውጢ መስርሕ ንድሕሪ ከይምልሶ የስግእ።” ብፍላይ ድማ ናይ ኣምሓራ ብሄራዊ ምንቅስቓስ\/ኣብን\/ ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ\/ኦፌኮ\/፣ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ \/ኢዜማ\/ን ናይ ኣዲስ ኣበባ በዓል ሕድሪ ቤት ምኽሪ ብዝብል ዝፍለጥ ምትእኽኻብ ኣባላትን ደገፍትን ኣብ ልዕሊ ዝበሃሉ ውልቀሰባት ኣብዝተፈላለዩ ክፋላት ሃገር ዝተፈፀሙ ማእሰርቲ ዘተሓሳብ እዩ ኢሉ። ኢሰመጉ ኣብ መግለፂኡ ንኣገልግሎት ኢንተርኔት ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ምዕፃው ናይ ዜጋታት ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ዝጥሕስ እዩ ክብል’ውን ተቓዊምዎ ኣሎ።መንግስቲ ዝወስዶ ስጉምቲ ግሉጽን ክሕሎ ካብ ዝድለ ናይ ህዝቢ ረብሓ ዝመጣጠን ክኸውን ኣለዎ ኢሎም። “ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ባህርዳርን ዝተፈፀመ ዘስካሕክሕ ቕትለት ስዒቡ ዝተወስደ ስጉምቲ ንኩሉ ዓይነት ኣገልግሎት ኢንተርኔትን ኣብታ ሃገር ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዝዓጸወ ብምንባሩ ውድብና እቲ ስጉምቲ ተመጣጣኒ ኣይነበረን ኢሉ ይኣምን።” ኣብ መንጎ ህውሓት ኣዴፓን ይርኣይ ዘሎ ውጥረት እውን ክልቲኡ ኣሕዋት ህዝቢ ናብ ግጭት ከምርሕ ከምዝኽእል ስግኣቱ ዝገለፀ ኢሰመጉ እተን ውድባት ኣፍላላያቶም ብሰላማዊ ኣገባብ ክፈትሑ ጸዊዑ’ሎ። ልዕልነት ሕጊ ዝተረጋገፅ ነይሩ እንተዝኸውን ናይታ ሃገር ሰላም ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ምሃለወ ኔሩ ኢሎም። “ሎሚ ሃገርና ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ኣብ ዝልዓለ ስግኣት ስእነት ሰላም ከም እትርከብ ይፍለጥ።ካብዚ ስግኣት ንምውፃእ መንግስቲ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ንህዝብን ዝምልከቶም ኣካላትን ዘሳተፈ መፍትሒ ከናዲ ኢሰመጉ ይሓትት።” ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ጉባኤ ብዝተስዓረ ሕጊ ማሕበራትን ገበርቲ ሰናይን ተመንጢሉ ዝነበረ ሽሙ ኢሰመጉ ቅድሚ ሒደት መኦኣልታት መሊሱ ምርካቡ ኣብዚ ጋዜጣዊ መግለፂ ገሊፁ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%88%B0%E1%88%98%E1%8C%89-%E1%88%95%E1%89%B6-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%B2%E1%8B%B3%E1%88%9B-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8B%88%E1%8C%88%E1%8A%93%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%90%E1%89%B2-%E1%8D%80%E1%8C%88%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8A%E1%8A%95-%E1%88%95%E1%8C%8B%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%89%A3%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%88%95-%E1%8A%AD%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%88%91-%E1%88%93%E1%89%B2%E1%89%B1\/5006205.html"} {"headline":"ክልል ትግራይ፡ ኣብ ሮማናት ዝተባህለ ከባቢ ኣስታት 400 ዘይሕጋዊ ዝተባህለ ኣባይቲ ብመንግስቲ ምፍራሱ ነበርቲ ገሊጾም","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ እንደርታ ሮማናት ዝተባህለ ከባቢ መንግስቲ ዘይሕጋዊ ዝበሎ አባይቲ ምፍራሱ ስዒቡ ንብዙሕ ዓመታት ዝነበርናሉ መንበሪ ኣባይትና መንግስቲ ዘይሕጋዊ እዩ ብምባል ብሓይሊ ስለዘፍረሶ ኣብ ፀገም ወዲቕና ኣለና ክብሉ ነበርቲ ‘ቲ ከባቢ የማርሩ:: No media source currently available ዘይሕጋውያን ዝተባህሉ ኣባይቲ ካብ ወለዶም ብውህብቶ ኣብ ዝተውሃቦም ቦታ መንበሪ ዝተሰርሑን ካብ ምምሕዳር ጣብያ መረዳእታ ብዝተውሃበሉ መንገዲ ዝተዓደጉን ምዃኖም እቶም ነበርቲ ይገልፁ:: ነበርቲ’ቲ ከባቢ መንግስቲ ኣስታት 400 ኣባይቲ ብቕድሚ ትማሊ ብሓይሊ ከምዘፍረሰ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም:: ኣብዚ ጉዳይ ካብ ምምሕዳር ወረዳ እንደርታ ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%AE%E1%88%9B%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%88-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-400-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%95%E1%8C%8B%E1%8B%8A-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%89%A5%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%88%AB%E1%88%B1-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/5005879.html"} {"headline":"ብቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ልኡኽ ንናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ኣስመራ ኣትዩ","content":"ብቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ልኡኽ ንናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ሎሚ ኣስመራ ምእታው ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ። ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት’ታ ከተማ ምስ ፕረዚደት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክዘዋወሩ ከምዝተራእዩ እውን ተሓቢሩ’ሎ። ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ምዕባይ ኹሉ መዳያዊ ክልቲኣዊ ምትሕብባርን ንክልቲኦም ሃገራት ኣብ ዘገድሱ ዞባዊ ጉዳያት ከምዝተዘራረቡ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሮም። ሚንስትሪ ፋይናንስ ኢትዮጵያ ኣቶ ኣሕመድ ሸደን ሓላፊ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ገለ ካብቶም ምስ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ናብ ኣስመራ ዝኸዱ ሰበ ስልጣን ምኳኖም ተፈሊጡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%95%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%A9\/5005565.html"} {"headline":"መግለጺ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣምሓራ(አዲፓ)","content":"ጸገማት ክፍጠሩ ከለው ድሕሪ’ቶም ጸገማት በዓል መን ከምዘለው ዘይንርዳእ ኣመራርሓ ኮይና ዘይኮነ ንህልውና ህዝቢ ኣምሓራን ሓድነት ኢትዮጵያን ክንብል አድላይ መስዋእትነት ንምክፋል ቆሪጽና ዝተለዓልና ህዝቢ ካብ ፓርቲ ንላዕሊ ይበልጽ’ዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ዘለና ኢና ክብሉ ሓላፊ ዓውዲ ፖለቲካ ማእከላዊ ኮሚተ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣምሓራ አቶ ኣብርሃም አለከኝ ተዛሪቦም። አባላት ፈጻሚ ስራሕን ማእኸላዊ ኮሚተ አዲፓ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት’ቲ ክልልን ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት በቲ ዝተራእየ ለውጢ ዝመጹ ረብሓን ብድሆታትን ገምጊሞም ኣለው። ሓላፊ ዓውዲ ፖለቲካ’ቲ ፓርቲ ኣቶ ኣብርሃም አላይ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ ክልል ባይታ ዲሞክራሲ ንምግፋሕ ሕቶ ህዝቢ ኣምሓራ ንምምላስ ዘኽእል ስራሕ ተሰሪሑ’ዩ በዚ’ውን ሰናይ ጅማሮ ተራእዩ’ሎ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8B%B2%E1%88%9E%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%88%B2%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB(%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%8D%93)\/5003026.html"} {"headline":"ቤት ፍርዲ: ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ ሓዊሱ ኣርባዕተ ተኸሰስቲ ጉዳዮም ኣብ ዘየለውሉ ክርአ ወሲኑ","content":"ላዕለዋይ ፌደራል ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ዋና ዳይረክተር ሃገራዊ ድሕነት ነበር ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ ሓዊሱ ናይ ኣርባዕተ ተኸሰስቲ ጉዳይ ኣብ ዘየለውሉ ክርአ ወሲኑ። ስልጣኖም ብዘይ ኣገባብ ተጠቒሞም ብዝብል ዓቃቢ ሕጊ ብከቢድ ናይ ብልሽውና ገበን ካብ መንጎ ዝኸሰሶም 26 ሓለፍትን ሰራሕተኛታትን ሃገራዊ ስለያን ድሕነትን ብጋዜጣ ተፀዊዖም ዘይቀረቡ ኣርባዕተ ተኸሰስቲ ጉዳዮም ኣብዘየለውሉ ክርአ ቤት ፍርዲ ወሲኑ’ሎ። ጉዳዮም ብዘየለውሉ ክረአ ዝተወሰነ ብማዕረግ ሚንስትር ዋና ዳይረክተር እቲ ትካል ዝነበሩ ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ ሓዊሱ ኣቶ ኣፅብሃ ጊደይ፣ኣቶ ኣሰፋ በላይን ኣቶ ሽሻይ ልኡልን እዮም። ቤት ፍርዲ ዓቃቢ ሕጊ መሰኻኽር ከቕርብ ትእዛዝ ሂቡ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8B%B3%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%8A%AD%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%8C%8C%E1%89%B3%E1%89%B8%E1%8B%8D-%E1%8A%A3%E1%88%B0%E1%8D%8B-%E1%88%93%E1%8B%8A%E1%88%B1-%E1%8A%A3%E1%88%AD%E1%89%A3%E1%8B%95%E1%89%B0-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%88%B0%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%98%E1%8B%A8%E1%88%88%E1%8B%8D%E1%88%89-%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%8A%A0-%E1%8B%88%E1%88%B2%E1%8A%91\/5002911.html"} {"headline":"`ኣቦ ምዃን` ዝብል ፕሮጀክት ስዊዘርላንድ","content":"ኣብ ስዊዘርላንድ `ኣቦ ምዃን` ዝብል ፕሮጀክት ኣሎ። እቲ `ኣቦ ምዃን ኣብ ስዊዘርላንድ` ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፕሮጀክት፡ ብሓፈሽኡ ኣብ ስደት፡ ኣቦ ምዃን ዘለዎ ግቡእን ሓላፍነትን፡ ከምኡ ድማ ዘጋጥሙ ብድሆታት ኣተኩሩ ይነጥፍ። ፕሮጀክት `ኣቦ ምዃን` ኣቦታት ናብ ሓደ ኣምጺኡ ሓሳባቶም ክገልጹን ተመክሮታቶም ከካፍሉን ዕድል ብምፍጣር፡ ጥዑይ ስድራቤት ኣብ ምህናጽ ይሰርሕ። No media source currently available ​ ንዋና ኣካያዲ ስራሕ `ፕሮጀክት ኣቦ-ምዃን` ኣቶ ዮውሃንስ ብርሃነ ኣዘራሪብናዮም ኣለና። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A6-%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%80%E1%8A%AD%E1%89%B5-%E1%88%B5%E1%8B%8A%E1%8B%98%E1%88%AD%E1%88%8B%E1%8A%95%E1%8B%B5\/5002886.html"} {"headline":"ሰራዊት ኣሜሪካ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ካልኦት ዓለምለኸ ኣጋር ዘካይዶ ወታደራዊ ልምምድ ሎሚ ጀሚሩ","content":"ሰራዊት ኣሜሪካ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ካልኦት ዓለምለኸ ኣጋር ሃገራትን ብሓባር ዘካይዶ ናይ ክልተ ሰሙናት ወታደራዊ ልምምድ ሎሚ ጀሚሩ። ‘Justified Acord 19’ ዝተባህለ ወታደራዊ ልምምድ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንልዕሊ ኽልተ ሰሙናት ክፀንሕ እዩ።እቲ ልምምድ ካብ ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ብተወሳኺ ካብ ወታደራት ንልኡኽ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልን ካብ ምዕራባዊያን መሻርኽቲን ዝተዋፅኡ ኣስታት 1,100 ሰባት ዝሳተፍሉ እዩ። ሃገራት ኣፍሪቃ ዘጋጥሞም ዝተፈላለዩ ፈተናታት ፀጥታ ስግረ ዶብ እዮም ዝበሉ ኣብ ኣፍሪቃ ኣዛዚ ሰራዊት ኣሜሪካሜጀር ጀነራል ሮጀር ክላውት እዞም ዘይምርግጋኣት ንከባቢያዊ ጠንቂ ህውከት ስለዝኾኑ ብሓባር ምስራሕ ኣገዳሲ እዩ ኢሎም። “ዝኾነት ትኹን ሃገር ነዚ ኩሉ ፈተናታት በይና ክትገጥሞ ኣይትኽእልን።ነንሕድሕድና ንደላለየሉ ምኽንያት እውን ነዚ እዩ።ናይ ኣፍሪቃ ሕብረት ናይ ሶማል ተልእኾ ዝኣመሰሉ ዓለምለኸ ምውዳድ ዘድሊ ነዚ እዩ።ኣብ ሓባራዊ ስግኣታት ሓቢርና ደው እንብለሉ ምኽንያት ዝበለፀት፣ ብልፅግትን ፀጥትኣ ሕሉው ዝኾነትን ኣፍሪቃ ንምፍጣር እንኽእል እውን ብምትሕብባርን ብኣጋርነትን ብሓባር ብምስራሕ እዩ።” ኣብ ኢትዮጵያ አማባሳደር ኣሜሪካ ማይክል ሬይነር እቲ ወታደራዊ ልምምድ ከባቢያዊ ሰላም ንምሕጋዝን ዝተፈላለዩ ክእለታት ንምምዕባልን ክሕግዝ እዩ ኢሎም። ሃገራት ዝተፈላለዩ ፈተናታት የጋጥመን ከምዘሎ ዝገለፁ ሚንስትር ድኤታ ሚንስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣቶ ፍስሃ ወልደሰንበት ግብረ ሸብራ፣ዝቐፀለ ጉዳይ ምምዝባል ውሽጢ ሃገር፣ናይ ብሄርን ነገዳትን ግጭት ንምምካት እቲ ልምምድ ከምዝሕግዝ ገሊፆም ኣለው።ሰላማ፣ ዝተረጋግአን ዝበልፀገን ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምዕዋት ዘኽእል እዩ እውን ኢሎም። ምጅማር ወታደራዊ ልምምድ ወግዓዊ ኣብዝተገብረሉ ስነስርዓት ላዕለዎት ወታደራዊ መኮነናት ኣሜሪካካልኦት ተሳተፍቲ ሃገራትን ተረኺቦም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A6%E1%89%B5-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%8A%A3%E1%8C%8B%E1%88%AD%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6-%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%8D%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%B5-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9\/5001579.html"} {"headline":"ሽማግለን ዓዲን መናእሰይን ሲዳማ ዞባ ሲዳማ ክልል ኽከውን ወሲኖም","content":"ሽማግለ ዓድን ኤጄቶን ዞባ ሲዳማ መበል 10ይቲ ክልላዊ መንግስቲ ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊት ዴሞክራሲታዊት ሪፓብሊክ \/ኢፌድሪ\/ ክትኸውን ትማሊ ሰንበት ብምእዋጅ ባንዴርኦም ኣብ ከተማ ሃዋሳ ሰቒሎም። ዓበይቲ ዓዲን መናእሰይን ወይ ኤጄቶን ሲዳማ ትማሊ ሰንበት ምሉእ መዓልቲ ኣብ ዝወሰደ ኣጀንዳ ‘’ቅድመ ምስረታ ብሄራዊ ክልል’’ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ብባህላዊ ስነ ስርዓት ዝተኣጀበ ኣኼባ ኣካይዶም። እቶም ሽማግለታትን መናእሰይን ምእዋጅ ርእሰ ምምሕዳርን ምስቃል ክልላዊ ባንዴራን ወይስ ንኣንፈትን ውሳነን መንግስቲ ምፅባይ ዝብሉ ነጥብታት ነዊሕ ስዓታት ዝወሰደ ክርክር ድሕሪ ምክያድ ዮም ናብዚ ውሳነ ዝበጽሑ። ወኪል ሽማግለ ዓዲ ዝኾኑ ኣቶ ኣየለ ቦሩ ናይ ባዕሎም ክልል ንምምስራት ምስ መንግስቲ ክዘራረቡ ከምዝፀንሑን መልሲ ከይተውሃቦም ነዊሕ ከምዝፀንሑን ብምግላፅ ብሕጊ ዝተፈቐደ ዕለት ተዛዚሙ ናይ ባዕልና ክልል ኣዊጅና ኣለና ኢሎ። “ሎሚ ኣብ ዝነበረ ኣኼባ ኤጄቶን ሽማግለታት ዓድን ብዛዕባ ምስረታ ክልል ኢና ተዘራሪብና።ቅድሚ ሎሚ እውን ኣብዚ ጉዳይ እዚ እንታይ ክንገብር ከምዘለና ተዘራሪብና ኢና።ምዝርራብ ጥራሕ ዘይኮነስ ባንዴራ እውን ተኺልና ኣዊጅና ኢና ወፂእና።\" መንእሰይ ጌታሁን ደጉዬ ብወገኑ “ኤጄቶን ሽማግለ ዓድን ብፅሒቶም ዛዚሞም ኣለው፤ሲዳማ ክልልነቱ ኣዊጁ’ሎ ዝተረፈ ናይ መንግስቲ ብፅሒት እዩ’’ኢሉ’ሎ።ሲዳማ ሕገ መንግስቲ ዝሃቦ ናይ መወዳእታ ዕድሉ ተጠቒሙ’ሎ ክብል እውን ገሊፁ’ሎ። ናይ ቕድሚት ናይ ሲዳማ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ክኸውን እዩ ዝበሉዎ ባንዴራ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ሰቒሎም ኣለው። ኣብ ደቡብ ክልል ንዝተልዓሉ ናይ ምውዳብ ሕቶታት ብዝምልከት ትማሊ ኣኼብኡ ዝወድአ ናይ ደቡብ ኢትዮጵያ ህዝብታት ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ መግለፂ ክህብ ትፅቢት ይግበር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%BD%E1%88%9B%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8A%95-%E1%8B%93%E1%8B%B2%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8A%93%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%88%B2%E1%8B%B3%E1%88%9B-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%88%B2%E1%8B%B3%E1%88%9B-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%BD%E1%8A%A8%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8B%88%E1%88%B2%E1%8A%96%E1%88%9D\/5001546.html"} {"headline":"ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ ብሉጽ ኣጥቅዓይ ቱር ዲ ፍራንስ 10ይ መድረኽ ኮይኑ","content":"ሎሚ ካብ ሰይንት ፍሎርስ ናብ ኣልቢ ኣብ ዝተኻየደ 217 ኪሎሜተር ዝሽፍን 10ይ መድረኽ ቅድድም ብሽክለታ ቱር ዲ ፍራንስ 2019: ተቐዳዳማይ ናትናኤል ብርሃነ ብዘርኣዮ ብሉጽ ጸወታ መጥቃዕቲ ዕውት ሽልማት ኣንታርጋዝ መጥቃዕቲ Antargaz Combative Prize ኮይኑ ኣብ መድረኽ ተዓወቲ ቱር ዲ ፍራንስ ክድይብ በቒዑ። ሻምፕዮን ዙር ኤርትራ 2019 ዝኾነ ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ: ኣብዚ ናይ ሎሚ ዝተገብረ ቅድድም ኣብ ዝተፈላለየ ዝተሰርዐ ናይ መድረኽ ውድድራት ንመጋጥምቱ ራሕሪሑ ተደጋጋሚ ዓወታታት ብምሕፋሱ’ዩ ኣብ መድረኽ ተዓወቲ ቱር ዲ ፍራንስ ዝበቕዐ። ብመሰረት ካብ ጋንታ ኮፊደስ ዝተረኽበ ሓበሬታ: ዓወት ናትናኤል ድሕሪ ተመሳሳሊ ዓወት ወዲ ጋንትኡ ስተፈን ሮሰቶ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ነቲ ዓወት ይጎናጸፍ ብምህላው ተገሊጹ። ናትናኤል ድሕሪ’ቲ ዓወት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ዝተኻየደ 6ይ መድረኽ ጸወታ: ነዚ ናይ ሎሚ ዓወት ክሓፍስ ትጽቢት ገይሩ ምንባሩ ብምሕባር ይኹንምበር እቲ ዓወት ሎሚ ክቐንዖ ከምዝኸኣለ ጠቒሱ። ብውጽኢቱ ድማ ኣመና ምሕጓሱ መርበብ ሓበሬታ ክለብ ኮፊደስ ብተወሳኺ ገሊጻ። No media source currently available ኣብ ናይ ሎሚ ውዕሎ ቱር ዲ ፍራንስ ይ መድረኽ ቤልጅማዊ ውት ቫን አርት ብኣዝዩ ረቂቕ ብልጫ መሪሕነት ሒዙ ነቲ ውድድር ፈጺምዎ ኣሎ። ብሓገዝ ፎቶ ፊኒሽ ዝተባህለ ተክሎኖጂ ተጠቒሞም መሪሕንት ቤልጅማዊ ውት ቫን አርት ዝተረጋገጸ ክኸውን እንከሎ ኢልያ ቪቭያን ከምኡውን ኣውስትራልያዊ ካለብ እዋን ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዞም ናይ መድረኽ ዓወት ተጎናጺፎም ኣለው። ኣብ ሓፈሻዊ ውህሉል ነጥቢ ድማ ዛጊት ፈረንሳዊ ጁልያን ኣላፍሊፐ ካብ ዱችኒክ ክዩክ ስተፕ፤ እንግሊዛዊ ግራይንት ቶማስ ካብ ክለብ ኢነዮስ ከምኡ’ውን ወዲ ጋንትኡ ኢጋን በርናል ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ኣብ ዘሎ ደረጃ ተሰሪዖም ይመርሑ ኣለው። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%93%E1%89%B5%E1%8A%93%E1%8A%A4%E1%88%8D-%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%83%E1%8A%90-%E1%89%A5%E1%88%89%E1%8C%BD-%E1%8A%A3%E1%8C%A5%E1%89%85%E1%8B%93%E1%8B%AD-%E1%89%B1%E1%88%AD-%E1%8B%B2-%E1%8D%8D%E1%88%AB%E1%8A%95%E1%88%B5-10%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%8A%BD-%E1%8A%AE%E1%8B%AD%E1%8A%91\/5001314.html"} {"headline":"'ኣብ ኢትዮጵያ ህብረ ብሄር ፌደራላዊ ስርዓት እንተፈሪሱ ሃገር ይብተን' ፕሮ. ህዝቅኤል ገቢሳ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ህብረ ብሄር ፌደራላዊ ስርዓት እንተፈሪሱ ሃገር ይብትን ኢሎም ተንታኒ ፖለቲካ ፕሮፌሰር ህዝቅኤል ገቢሳ:: እቶም ፕሮፌሰር ነዚ ዝበሉ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣብ ህብረ ብሄር ፌደራላዊ ስርዓት ጠሚቱ ኣብ ዘቕረብዎ መፅናዕታዊ ፅሑፍ እዩ:: ፕሮፌሴር ህዝቅኤል ገቢሳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ስርዓት ፌዴራሊዝምን ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣመልኪቶም ፅሑፍ ኣቕሪቦም እዮም:: ህብረ ብሄራዊ ፌደራሊዝም ኣብ ኢትዮጵያ \"ታሪኻዊ ሕቶታት ንምምላስ እዩ\" ኣብ ተግባር ውዒሉ ዝብል እምነት ከምዘለዎም ገሊፆም። ንሶም ብሄራዊ ወፅዓ ዘስዐቦ ሕቶ መንነት ነይሩ ይብሉ። እዚ ቋንቋ መሰረት ዝገበረ ስርዓት ሃገር ይብትን እዩ ዝብል ዝልዓል ሓሳብ ከምዘይቕበልዎ ይዛረቡ። ስርዓት ፌዴራሊዝም ብባዕሉ ፀገማት ፈጢሩ እዩ ኢለ ኣይኣምንን ዝብሉ ፕሮፌሰር ህዝቅኤል፡ እቲ ስርዓት ግን ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ብዝግባእ ኣብ ተግባር ብዘይምውዓሉ ፀገማት ኣስዒቡ ክኸውን ይኽእል ይብሉ:: ፕሮፌሴር ህዝቅኤል ህብረ ብሄራዊ ስርዓት ኣፍሪስካ ካልእ ስርዓት ንምትካል ዝግበር ፃዕሪ ኣየዕውትን ኢሎም:: ስርዓት ፌደራሊዝም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ታሪኻዊ ሕቶ ብሄረሰባት ንምምላስ ዓሊሙ ዝተተኸለ ስርዓት እዩ ዝበሉ ፕሮፌሰር ህዝቅኤል ገቢሳ ብሩባታት፤ እምባታትን ቀላያትን እቲ ኣወዳድባ ክጣየሽ ይሕሽ ዝብል ግን ካብ ምንታይ ተልዒልና ዝብል ሕቶ እዩ ዘስዕብ ኢሎም። ሕገ-መንግስቲ ጠሚቱ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ: እቲ ሕገ መንግስቲ ኣብ ዝረቐቐሉ ጊዜ ኣይተወከልናን ዝብሉ ኣለው ዝብል ንፕሮፌሰር ህዝቅኤል ዝቐረበሎም ሕቶ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ኣወዳድባ እንተወሲድና ካብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተሰብ ማለት እውን ካብ ደቂ ኣንስትዮ፤ መናእሰይ፥ ምሁራት ተሳትፎ ገይሮምሉ እዩ ረቒቑ: ስለዚ ዘይተሳተፉ ኣብቲ ጊዜ’ቲ ዘይተመረፁን ሕጋዊ ውክልና ዘይነበሮምን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ብዝተኽኣለ መጠን ግን በቲ ዝነበረ ኩነታት እኹል ውክልና ክህሉ ተገይሩ እዩ ክብሉ መልሲ ሂቦም ። እቲ ዘሎ ዝመሐየሽ ነገር እንተለዎ እቲ ሕገ-መንግስቲ ባዕሉ መሰረት ገይርካ ምምሕያሽ ይከኣል እዩ ድሕሪ ምባል ኣብ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ መካትዒ ብዛዕባ ዝኾነ ዓንቀፅ 39 ክመሓየሽ ይኽእል’ዶ ንዝብል ሕቶ እዚ ዓንቀፅ ሰረት እቲ ሕገ መንግስቲ እዩ ዝብል ምላሽ ሂቦም:: ምስ መረፃ 2012 ዓ.ም ተኣሳሲሩ ንዝተልዓለሎም ሕቶ እንትምልሱ ድማ: ሃገራውን ክልላውን መረፃ ሕገ-መንግስቲ ፌዴሪኢ ብመሰረት ዝፈቕዶ ክካየድ ከምዘለዎ ዝተዛረቡ ፕሮፌሰር ህዝቅኤል መረፃ እንተዘይተኻይዱ ግና እቲ ሐዚ ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ ዕድመ ስልጣኑ ስለዘብቅዕ ዘይሕጋዊ መንግስቲ እዩ ዝኸውን ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%85%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%89%A5%E1%88%84%E1%88%AD-%E1%8D%8C%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%AA%E1%88%B1-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%89%B0%E1%8A%95-%E1%8D%95%E1%88%AE-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%85%E1%8A%A4%E1%88%8D-%E1%8C%88%E1%89%A2%E1%88%B3\/5001187.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝከታተላ ራፖርተር ናይ መዝነት ጊዜ ክናዋሕ ወሲኑ","content":"ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝከታተላ ፍልይቲ ራፖርተር ናይ መዝነት ጊዜ ንሓደ ዓመት ክናዋሕ ትማሊ ሓሙስ ወሲኑ። ካብዚ በተወሳኺ ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ መጋቢት 2020 ብቃል ከቕርብ ይፅውዕ። እቲ ውሳነ ብደገፍ 21 ሃገራት፣13 ተቓውሞን 13 ድምፀ ተዓቅቦን ሓሊፉ’ሎ።ናይ መዝነት ጊዜ ክናዋሕ ድምፃ ዝሃበት ኣፍሪቃዊት ሃገር የላን።ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ድምፀን ዓቂበን ኤርትራ ሓዊሱ ድማ ኣርባዕተ ሃገራት ነቲ ምንዋሕ ተቓዊመንኦ ኣለዋ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%95%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%95%E1%8B%9B-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%8A%A8%E1%89%B3%E1%89%B0%E1%88%8B-%E1%88%AB%E1%8D%96%E1%88%AD%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8C%8A%E1%8B%9C-%E1%8A%AD%E1%8A%93%E1%8B%8B%E1%88%95-%E1%8B%88%E1%88%B2%E1%8A%91\/4998173.html"} {"headline":"ኣዴፓ: ኣብ ኢትዮጵያ ንዘለዉ ፀገማት ተሓታቲ ህወሓት እዩ ኢሉ","content":"ፈፃሚ ስራሕ ኣዴፓ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘለዉ ፀገማት ተሓታቲ ህወሓት እዩ ኢሉ:: እቲ ፈፃሚ ስራሕ ብህወሓት ንዝተውሃበ መግለፂ ትማሊ ምላሽ ሂቡ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%8B%B4%E1%8D%93-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%89-%E1%8D%80%E1%8C%88%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%B3%E1%89%B2-%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%A5%E1%8B%A9-%E1%8A%A2%E1%88%89\/4998152.html"} {"headline":"'ህዝቢ ትግራይ ናይ ምንጻል ስምዒት ኣሕዲሩ ኣሎ' ዝብል ሪኢቶ ኣማሓዳሪ'ቲ ክልል መዘራረቢ ኮይኑ (2ይ ክፋል)","content":"ዶ\/ር ደብረጽየን ገ\/ሚካኤል 'ህዝቢ ናይ ምንጻል ስምዒት ኣሕዲሩ'ሎ፣ ንሕና ግና ዓቕሊ ንግበር ንብሎ ኣለና' ድሕሪ ምባሎም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታትን ዝተፈላለዩ ስፍራን መዘራረቢ ኮይኑ ኣሎ። ንሕና'ውን ከምኡ። ኣርባዕተ ተጋሩ ዓዲምና ዝጀመርናዮ ክትዕ ሎሚ'ውን ቀጺሉ ኣሎ። ሕጹይ ዶ\/ር ኣብራሃ ሃይለዝጊን ግርማይ በርሀን ካብ ዪኒቨርስቲ መቐለ፣ ሙስጦፋ ዓብዱ ኣማኻሪን ጠበቓን ከምኡውን ዓብለሎም ገ\/ሚካኤል ካብ መቐለን'ዮም። 'እቲ ነጥቢ ሕቶ ዋንነት ሃገረ ትግራይ'ምበር፣ ምንጻል ኢልና ኣይንገልጾን' ዝብል ብሓደ ወገን 'ኣብ ፌደራላዊ ስርዓት ሙሉእ ውሕስነታ ዘረጋገጸት ትግራይ' ብካልእ ወገን ዝብሉ ኣማራጺታት ሒዞም'ዮም ኣጋይሽና ይካትዑ ዘለው። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/sessesion-or-self-rule-indeopendence-of-tigray-debated-by-tegaru\/4998162.html"} {"headline":"ቤት ፍርዲ ኢጣልያ መድሃኔ ተስፋማርያም ነጻ ክወጽእ ወሲኑ","content":"ቤት ፍርዲ ኢጣልያ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ን3 ዓመታት ተአሲሩ ዝጸንሓ ኤርትራዊ መድሃኔ ተስፋማርያም ግዳይ ግጉይ መንነት ምዃኑ ኣፍሊጡ። ቤት ፍርዲ ኢጣልያ ሎሚ ዓርቢ ብዘይሕጋዊ ምስግ ጋር ሰባት ኣብ 2016 ካብ ሱዳን ናብ ኢጣልያ ተወሲዱ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሓ ኤርትራዊ መድሃኔ ተስፋማርያም በርሃ እቲ ብዓቓቢ ሕጊ ዝድለይ ጥርጡር ከምዘይኾነ ብምሕባር እንተኾነ ግን ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ተሓባቢሩ’ዩ ብዝብል ናይ ሓሙሸተ ዓመታት ማእሰርቲ ውሲኑሉ’ሎ። ቤት ፍርዲ ኢጣልያ ሎሚ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ ዋላ’ዃ ኣብ ምስግጋር ሰባት ብምትሕብባር 5 ዓመታት ክእሰር እንተተፈርደ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሓሉ ጊዜ ኣብ ግምት ብምእታው ነጻ ክወጽእ ወሲኑ’ሎ። መድሃኔ ተስፋማርያም በርሀ እቲ ዝድለይ መድሃኔ ይህደጎ መርዕድ ዘይምዃኑ ክገልጽ ምጽንሑ ይፍለጥ። ይኹን ደአ እምበር ዓቓብ ሕጊ ኢጣልያ ኣብ ቀይዲ ዘሎ መድሃኔ ብ’ጀነራል’ ዝፍለጥ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝነጥፍ መድሃኔ ይሕደጎ መርድዕ ምዃኑ ብምግላጽ ናይ 14 ዓመታት ማእሰርቲ ክፍረዶ ክሓቱ ጸኒሖም’ዮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%A2%E1%8C%A3%E1%88%8D%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%93-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%83%E1%8A%94-%E1%89%B0%E1%88%B5%E1%8D%8B%E1%88%9B%E1%88%AD%E1%8B%AB%E1%88%9D-%E1%8A%90%E1%8C%BB-%E1%8A%AD%E1%8B%88%E1%8C%BD%E1%8A%A5-%E1%8B%88%E1%88%B2%E1%8A%91\/4997601.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ ዝከፍአ መዳጎኒ ማእከል ምዃኑ ዝገለጸ ማእከል ዛውያ፡ሊብያ እንታይ ይብሉ?","content":"ወሃቢ ቃል ኮሚሽን ሰብኣዊ ጉዳያት ሩፐርት ኮልቪል አባላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ዝርከብ ዚታን መዳጎኒ ማእከል ከምዝበጽሑን ኩነታት እቶም ስደተኛታት ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ከምዝርከብ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ሰነ ካብ ጀነቫ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ምሕባሩ ይዝከር። ነዚ ስዒቡ ኣብቲ መዳጎኒ ማእከል ዝርከቡ ስደተኛታት ካብ ዝተፈላለዩ አካላት ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኮነ ጋዜጠኛታት በጺሖም ምስ ዝኸዱ’ዩ ኩነታትና ዝያዳ ዘንቆልቁል ይብሉ። ኣብዚ ዝኸፍአ መዳጎኒ ማእከል ምዃኑ ብተደጋጋሚ ዝግለጽ ዚታን መዳጎኒ ማእከል ንዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ዝጸንሓ ኤርትራዊ ኣብርሃንም ኣስመሮም ብዛዕባ ኩነታት’ቲ ማእከል ከምዚ ክብል ይግለጽ። No media source currently available ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዚታን መዳጎኒ ማእከል ዝርከቡ ስደተኛታት ምምዝጋብ ምጅማሩ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ዘውጽኦ መግለጺ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8B%9D%E1%8A%A8%E1%8D%8D%E1%8A%A0-%E1%88%98%E1%8B%B3%E1%8C%8E%E1%8A%92-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%91-%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%88%88%E1%8C%B8-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8D-%E1%8B%9B%E1%8B%8D%E1%8B%AB-%E1%88%8A%E1%89%A5%E1%8B%AB-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%89%B3%E1%8B%AD-%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%89-\/4996446.html"} {"headline":"ሕውሓትን አደፓን - ሓደ ነቲ ሓደ ዝኸስስ መግለጺ ኣውጺኦም","content":"ማእከላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህወሓት) ድሕሪ ዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ ኣብዘውፀኦ መግለፂ: ኣብ’ዚ እዋን፣ ህልውና ኢትዮጵያ ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ክወስድ ዝኽእል ብመጠኑ ይኹን ብስፍሓቱ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ኩነታት በጺሑ ከምዘሎ ገሊጹ። እቲ ማእከላይ ኮሚቴ ድሕሪ እቲ ብቕድሚ ትማሊ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ ኣብ ዘውጸኦ መግለፂ ብቅልጡፍ ክፍጸም ዝግባእ ዝበሎ 7 ነጥብታት ዝሓዘ ውሳነ ኣሕሊፉ’ሎ:: ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ዝተዋደደን፣ ነዊሕ ምድላው ዝተገበረሉ ዝበሎ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ወታሃደራዊ መራሕቲ’ታ ሃገርን ኣመራርሓ ክልል ኣምሓራን ናብ ምቕንጻል ፍጻመ ከምዝተኻየደ’ውን ኣፍሊጡ። እቲ መግለጺ ወሲኹ ‘ብደረጃ ሃገር ተጀሚሩ ዝነበረ ተስፋ ዝህብ ልምዓትን ምዕባለን ሎሚ መራሒ ስኢኑ ቁልቁል ምውራድ ዝተጀመረሉ ኩነታት ንርኢ ኣለና’ውን’ ይብል። ‘ትካልን ጸጥታን ደሕንነትን’ታ ሃገር ካብ ዝኾነ ጊዜ ንላዕሊ ሰላምን ድሕንነትን ሃገር ምሕላው ኣይካኣሉን’ ዝበለ መግለጺ ህወሓት ‘ቅንጸላ’ ላዕለዎት መራሕቲ ዘረጋገጾ ሓቂ እንተሃለወ፣ መንግስቲ ሰላምን ድሕነትን ህዝቢ ንምኽባር እናተጸገመ፣ ብግፍዒን ጭካነን ናይ ስልጣን ድልየቶም ከርውዩ ዝደልዩ ሓይልታት ትምክሕቲ ከምድላዮም ዝዕንድርሉ ኣብ መሓውር መንግስቲ ተሰግሲጎም ዋሕስ’ዛ ሃገር ንዝኾነ ሕገ መንግስቲን ፈደራል ስርዓትን ንከፍርሱ ዝንቀሳቀስሉ ኩነታት ይራኣይ’ ከምዘሎ ዘርእይ’ዩ ኢሉ። ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ ቅንጸላ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልል ኣምሓራ፣ ብሓሳብን ብተግባርን ተሳትፎ ዝነበሮም ሓይልታት ንክፍለዩን ብገለልተኛ ኣካል ቕልጡፍ ምጽራይ ክግበር'ውን ጸዊዑ። ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ዓዲ ዝብትን ዘሎ ካብ’ዚን ካብ’ቲን ዝተኣኻኸበ ‘ደምበ ትምክሕቲ’ ዝበሎ ከምዝኾነ: እዚ ሓይሊ’ዚ ከምድላዩ ንክዕንድር ዝገብር ዘሎ ድማ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ ኣምሓራ (ኣዴፓ) እዩ ይብል። ካብ’ዚ ተበጊሱ ኣዴፓ ኣብቲ ጥፍኣት ብሓፈሻ፤ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ መሪሕነት እቲ ውድብ ዘጋጠመ ቅትለት ብዝርዝር ገምጊሙ ናብ ተሓታትነት ክሰጋገር ካብዚ ተበጊሱ ንህዝቢ ኢትዮጰያ ይቅርታ ክሓትት ይግባእ\" ኢሉ። ስለዚ ኣዴፓ ካብ ኩሎም ጉዳያት ውሽጣዊ ሽግራቱ ብዝርዝር ገምጊሙ ግልጺ ቕዋሙ ከፍልጥ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ጸዊዑ። እዚ እንተዘይኮይኑ ግን ምስዚ ሓይሊ ሓቢሩ ንምስራሕን ንምቅላስን ከም ዝጽገም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ኣብ ጉዳይ ኣዴፓ ጠሚቱ ንሓላፊ ቤትፅሕፈት ማእኸላይ ኮሚቴ ኣዴፓ ኣይተ ዮሃንስ ቧያለው ምላሽ ሓቲትና ንግዚኡ ዝህብዎ መልሲ ከምዘየለ ገሊፆም ከምፓርቲ ግን ኣብቲ ጉዳይ ዝህቦ መግለፂ ምላሽ እንተልዩ ክንፍልጥ ኢና ኢሎም:: ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት፡ ኣብ ውሽጢ ኢህወደግ ዝተፈጠረ ናይ ኣሰላልፋ ምትሕውዋስ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ እዚ፡ \"ኢህወደግ ናይ ጽግዕተኛ ደባል ኣረኣእያታት ተሸኪሙ ዝነብር ግንባር እናኾነ ስለ ዝመጽአ'ዩ\" ኢሉ። ብምዃኑ ድማ፡ ኢህወደግ \"ናብ ንጹር ውግንና ዝተመስረተ ቃልሲ ክካየድን ኣብ ቀጻሊ ዓመት ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ክካየድ ዝግብኦ ሃገራዊ መረጻ ከም ግንባርን መንግስትን መርገፂኡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ግልጺ ክገብር የተሓሳስብ\" ኢሉ። እቲ መግለፂ\"ህወሓት ከም ሓደ ሕገ-መንግስታውን ፌደራላውን ሓይሊ ህዝብን ሃገርን ካብ ህልውን መፃእን ሓደጋታት ንምድሓን ምስተመሳሳሊ ዕላማ ዘለዎም ሕገ-መንግስታውን ፌደራላውን ሓይልታት ሰፊሕ መድረኽ ፈጢሩ ክቃለስን ብህፁፅ ናብ ተግባር ክሰጋገርን ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ወሲኑ ኣሎ\" ይብል:: እቲ መግለፂ ንሓይልታት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ድማ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ልኡላውነት ሃገርን ካብ ዝኾነ ዓይነት ሓደጋ ንምክልኻልን ንምሕላውን ዝተዋሃበኩም ሕገ-መንግስታዊ ሓላፍነት ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ውሽጣዊ ሓድነትኩም ብምሕያል ሰላምን ድሕንነትን ሃገርኩም ኣብ ምሕላው ግቡእኹም ክትፍፅሙ ይግባእ ኢሉ:: ኣብ ክልል ብ\/ብ\/ህዝብታትን ደቡብ ዝለዓሉ ዘለው ክልል ናይ ምኳን ሕቶታት ሕገ-መንግስታዊ ብዝኾነ መንገዲ ክፍታሕ ይግባእ ዝበለ መግለጺ ህውሓት \"ካብዚ ወፃእ ሕቶ ህዝቢ ብሓይሊ ወይ ብኻልእ መንገዲ ንምፍታሕ ዝግበር ፃዕሪ ፍፁም ተቐባልነት የብሉን\" ኢሉ። ፈጻሚ ጉዳይ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣምሓራ(ኣዴፓ) ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ሕወሓት ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ዝጸንሐን ዘሎን መሕፈሪ ክፍኣቱ ዕርቃኑ ኣብ ኣደባባይ ዘቃልዐ`ዩ ኢልዎ`ሎ። እቲ ናይ ክልል ኣምሓራ ገዛኢ ፓርቲ ኣብ`ቲ መግለጺኡ፡ ነቲ ዝሓለፈ ተፈቲኑ ምሉእ ንምሉእ ፈሺሉ ዝበሎ መፈንቅለ መንግስቲ ክልል ኣምሓራን፡ ቅትለት ላዕለዎት ኣመራርሓን ቀጻሊ ስጉምትታቱ ንምእንፋትን ኣብ ምግምጋም ከምዝርከብ ኣፍሊጡ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%B4%E1%8D%93-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%89%95%E1%89%B5%E1%88%88%E1%89%B5-%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8A%95%E1%8C%B9%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%8C%88%E1%8C%BA-%E1%8A%A8%E1%8B%AD%E1%88%93%E1%8B%98-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8C%B8%E1%8C%8D%E1%88%9E-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4996221.html"} {"headline":"ኩባንያታት ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት) ንመሸጣ ኣክስዮን ቀሪበን","content":"ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዳስትሪን ክልል ትግራይ ዶክተር ኣብርሃም ተኸስተ ምስ ማዕኸናት ዜና ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መጠይቕ ተጋሩ ዳያስፖራ ካብተን ትካላት፡ ኣክዮን ክዕድጉ ፀዊዖም። ኣብዚ ሐዚ እዋን ንመሸጣ ቀሪበን ዘለዋ ትካላት ትእምት፤ ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ፣ ሱር ኮንስትራክሽንን ትራንስ ኢትዮጵያን እየን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A9%E1%89%A3%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%8A%A5%E1%8C%8D%E1%88%AA-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-(%E1%89%B5%E1%8A%A5%E1%88%9D%E1%89%B5)-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%88%B8%E1%8C%A3-%E1%8A%A3%E1%8A%AD%E1%88%B5%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%89%80%E1%88%AA%E1%89%A0%E1%8A%95\/4994905.html"} {"headline":"ኣምንስቲ ኢንተርናሽናልን ሲፒጄይን ኢትዮጵያ ናብ ናይ ቀደም ዓፈና ከይምለስ ዘለዎም ስግኣት ገሊጾም","content":"ኢትዮጵያ ናብ ናይ ቀደም ዓፈና ከይትምለስ ስግኣት ከምዘለዎም ክልተ ዓለምለኸ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ገሊፆም።እተን ትካላት ብዝተፈላለየ ኣገባብ ሓሳቦም ንዝገለፁ ሰባት ቅድሚ ሎሚ ይንቀፍ ብዝነበረ ሕጊ ፀረ-ሽብር ምእሳር “ብናይ ድሕሪት ማርሽ ንመኪና ንቕድሚት ከም ምዝዋር እዩ’’ ኢሎምዎ ኣለው። ንደሕንነት ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ዓለምለኸ ትካል ሲፒጄይ(CPJ) ኢትዮጵያ ንጋዜጠኛታትን ብዝተፈላለዩ ኣገባብ ሓሳቦም ኣብ ምግላፅ ዝርከቡን ሰባት ምእሳሮም ነቒፉ።ሲፒጄይ ወሲኹ ኣብ ለውጢ እትርከብ ኢትዮጵያ ንናፃነት ፕረስ ንምዕፋን ዝኣረገ ሜላ ትጥቀም ኣላ ኢሉ’ሎ።ኣብቲ ትካል ኣተሓባባሪት ፕሮግራም ቀርኒ ኣፍሪቃ ሞቶኪ ሙሞ ዘለወን ስኽፍታ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፀን። “ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ዝተራእዩ ንመፃኢ ኩነታት ናፃነት ፕረስ ኣፀጋሚ ዝገብሩ ኢልና ዝፈለናዮም ጉዳያትን ኣብቲ ፀብፃብ ብዝርዝር ሓቢርና ኣለና።እዞም ኣካይዳታት ብምምሕዳር ቀዳማይ ሚንስትር ኣሕመድ ዝተጀመሩ ሰናይ ተግባራት ንድሕሪት ከይመልስዎ ስግኣትና ገሊጽና ኣለና።” ሞቶኪ ሙሞ እቲ ፀብፃብ ኣብ ግንቦትን ሰነን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈፀሙ ኩነታት ከምዝሓዘን ብምግላፅ ብተደጋጋሚ ምዕፃው ኢንተርኔት ንዋሕዚ ሓበሬታ ብምዕንቃፍ ንናይ ዜጋታት ሓበሬታ ናይ ምርካብ ናጽነት ብምድራት ነቲ ኩነታት ብዝበለፀ ዘተሓሳስብ ገይሩዎ ኢለን። ምዕፃው ኢንተርነት ስዒቡ 15 ሰነ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተፈፂሙ ዝተባህለ ፈተነ ዕልዋ መንግስትን ቕንፀላ ሰበስልጣንን ተታሓሒዙ ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም ናይ ሽብር ሕጊ ተጠቒሱ ቖፅሮ ተታሒዝሎም ኣሎ ኢለን። መንግስቲ ንጋዜጠኛ ‘ኣሃዱ ሬድዮ’ ኣሲሩ ከምዝፈትሐ ብምዝኽኻር ሕጂ ድማ ሪፖርተራት ‘ኣስራት ቴሌቪዥን’ ከምዝተኣሰሩ ገሊፀን።ሲፒጄይ ንኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ሓላፊት ፕረስ ቢልለኔ ስዩም ኣዘራሪቡ ተፈቲኑ ምስ ዝተባህለ መፈንቅለ መንግስቲ ብዝተኣሳሰረ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ምርመራ ይካየድ ከምዘሎ ብምሕባር ጋዜጠኛታት ብሞይኦም ኣይተአሰሩን ምባለንን ብምንታይ ከምዝተኣሰሩ ከምዘይተነግሮም እውን ወሲኸን ገሊፀን። ብተመሳሳሊ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል መንግስቲ ይወስዶ ብዘሎ ስጉምቲ እታ ሃገር ንድሕሪ ከይትምለስ ስግኣት ኣለኒ ክብል መግለፂ ኣውፂኡ። ኣብቲ ትካል ንኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝከታተሉ ኣቶ ፍስሃ ተክሌ ኣብ ባህርዳርን ኣዲስ ኣበባን ዝተፈፀመ ቕትለት ስዒቡ መንግስቲ ንኣስታት 200 ሰባት ምእሳሩ ገሊፆም። ካብ መንጎ ዝተኣስሩ ኣባላትን ደገፍትን ውድብ ምንቅስቓስ ብሄረ ኣምሓራን ናይ ኣዲስ ኣበባ ኣባላት ሰብ ሕድርን ካልኦት ዜጋታትን ከምዝርከቡዎም ዝገለፁ ኣቶ ፍስሃ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረብሉ እዋን ፖሊስ ንሕጊ ፀረ-ሽብር ብምጥሓስ ጠርጢረዮም ኣለኹ ምባሉ ገሊፆም።እቲ ኣዋጅ ንሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ዘየኽብር መንግስቲ ቅድም ክብል ከም መግሃሲ ሰብኣዊ መሰላት ይጥቀመሉ ዝነበረ እዩ ኢሎም። “ክቕየር እዩ ተባሂሉ ዝተመሓየሸ ሕጊ ናብ ፓርላማ ኣትዩ’ሎ እሞ ኣብዚ ኩነታት መንግስቲ ነዚ ኣዚዩ ዝተነቐፈ ሕጊ መሊሱ ነዞም ሰባት ንምእሳርን ቆፅሮ ንምትምሓዝን ምጥቓሙ ዝተመሓየሸ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ፀገም ኣእትዩ ንድሕሪ ዝመልስ እዩ።” ኣቶ ፍስሃ ኣተሓሕዛ እሱራት እውን ዘተሓሳስብ እዩ ድሕሪ ምባል ኣብዚ ሕጂ እዋን ኩነታት ኢትዮጵያ ‘’ንድሕሪት ብዝወስድ ማርሺ ንመኪና ንቕድሚት ከም ምዝዋር እዩ’’ ክብሉ ገሊፆምዎ።መልሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%8A%93%E1%88%BD%E1%8A%93%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%88%B2%E1%8D%92%E1%8C%84%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%80%E1%8B%B0%E1%88%9D-%E1%8B%93%E1%8D%88%E1%8A%93-%E1%8A%A8%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%88%88%E1%88%B5-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%88%B5%E1%8C%8D%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/4994874.html"} {"headline":"ሊብያ: 260 ስደተኛታት 22 ኪ.ሜ. ብእግሪ ተጓዒዞም ካብ ተኣፋፊ መዓስከራቶም ይወጹ","content":"ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ኣብ ታጁራ ዝተባህለ መዳጎኒ ማእከል ዝሓለፈ ሰሙን ደብዳብ ነፈርቲ ምግጣሙ ኣብቲ ማእከል ተሪፎም ዝነበሩ ስደተኛታት ንወለንትኦም ካብቲ ማእከል ክወጹ ከምዘፍቐደ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ። እቲ ትካል ብተወሳኺ 55 ኣብ ተአፋፊ ኩነታት ዝነበሩ ደቂ ኣንስትዮን ስድራቤታትን ናብቲ ኣብ ትሪፖሊ ዝርከብ ማእከል ምእካብን ምፍናው ናብ ሳልሳይ ሃገርን ከምዘግዓዘ ሓቢሩ’ሎ። እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ነቶም ተአፈፍቲ ኢሉ ዝፈለዮም ስደተኛታት ጥራይ ካብ ታጁራ መዳጎኒ ማእከል ከውጽእ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን እቶም ስደተኛታት ኩላቶም ክወጹ ወይ ድማ ኩላቶም ክተርፉ ብምሕታት እቲ መስርሕ ምትዕንቓፉ ኣይሓብኣን። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ጨንፈር ሊብያ ኣብቲ ትማሊ ዘውጽኦ መግለጺ ካብቶም በቲ ትካል ናብ መጽንሒ ቦታ ዝገዓዙ 55 ስደተኛታት ብተወሳኺ 260 ብወለንትኦም ካብ ታጁራ ዝወጹ ስደተኛታት ናብቲ መጽንሒ ቦታ ምእታዎም ሓቢሩ’ሎ። ድምጺ ኣሜሪካ ንገለ ካብቶም ብወለንትኦም ካብ ታጁራ ናብ ትራብሎስ ትሪፖሊ ብእግሪ ተጓዒዞም ዝኣተው 260 ስደተኛታት ኣዘራሪቡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8B%B3%E1%8C%8E%E1%8A%92-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8D-%E1%89%B3%E1%8C%81%E1%88%AB-%E1%89%A5%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%8A%A5%E1%8C%8D%E1%88%AA-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%89%A5%E1%88%8E%E1%88%B5-%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%8B%93%E1%8B%9E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4994587.html"} {"headline":"ሚነሶታ፡ ፈደረሽን ስፖርት ኤርትራውያን ሰሜን ኣመሪካን መረረት ጋንታ ስያትል ሞሞናን","content":"ኣብ ሚነሶታ ዝተኻየደ መበል 34 ውድድራት ስፖርት ፈደረሽን ኤርትራውያን ሰሜን ኣመሪካ፡ ካብ ቀዳማይ ድቪጅን ብዓወት ጋሽ ባርካ ተዛዚሙ`ሎ፡ ምስኣ ንዋንጫ ሓሊፋ ዝነበረት ጋንታ ስያትል ስለምንታይ ምጽዋት ኣብያ ዝብል፡ ተወልደ ወ\/ገ ንፈደረሽንን ሓለፍቲ`ታ ጋንታን ኣዘራሪቡ`ሎ፡ ምስ ሓፈሻዊ ጸብጻብ የቕርቦ`ሎ፡ No media source currently available No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/4993437.html"} {"headline":"ኣብ ተአፋፊ ኩነታት ዝርከቡ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ክወጹ ይሓቱ","content":"መንግስታትን ዓለምለኸ ትካላትን ነቲ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ሊብያ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ብትሪ ይኹንኑ ኣለው። ኣብቲ ገለ ክፋሉ ዝዓነወን ሓያለ ስደተኛታት ዝተቐትልሉን መዳጎኒ ማእከል ዝርከቡ ስደተኛታት “ሞት ኢና ንጽበ ዘለና፡ “ሰብኣዊነት የለን” ዝብሉ ጭርሖታት ብምሓዝ ካብቲ መዳጎኒ ማእከል ክልቐቑን ይሓቱ ኣለው። ኣብቲ ኣማኢት ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ ግን ኸአ ዝከድሉ ዘይብሎም መዳጎኒ ማእከል ኣብ ጎልጎል ዝሓድሩ ስድራቤታት’ውን ኣለው። መብዛሕቶም እዞም ስደተኛታት ካብ ኣብ ሱዳን ዘተኻየደ ምጽናት ዓሌት ዝሃደሙ’ዮም። ካብቲ ውግእ ዝካየደሉ ክፋል ሊብያ ወጺኦም እንተኾነ ሕጂ’ውን ቁጽሪ ኣብ ጎልጎል ዝሓድሩ ውሑድ ኣይኮነን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%90%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%B3%E1%8C%8E%E1%8A%92-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%98-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%89%A5-%E1%8A%90%E1%8D%88%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%A5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%8A%BE%E1%8A%92%E1%8A%96%E1%88%9D\/4993302.html"} {"headline":"ኣብ ሱዳን ሰላምን ምርግጋእን ክሰፍን ሰብኣዊ መሰላት ክኽበር ኣለዎ ክብል ሕ\/ሃ ኣፍሊጡ","content":"ሱዳን ሰላማውን ዝተረጋግአን ማሕበረሰብ ንምምስራትን ዘስካሕክሕ ውርሻ ህውከትን በደልን ከብቅዕን ሰብኣዊ መሰላት ህዝባ ከተኽብር ናይ ሕቡራት ሃገራት ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ጸዊዖም።ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ንላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ብምውካል ብዛዕባ ኩነታት ሱዳን መብርሂ ሂቡ’ሎ። ሓጋዚ ዋና ፅሓፊ ሰብኣዊ መሰላት ሕ\/ሃ ኣንድሪው ጊልሞር ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ መንጎ ሓይልታት ንናጽነትን ለውጥን መሰጋገሪ ወታደራዊ ቤት ምኽሪ ብዝተበጽሓ ስምምዕ ተተባቢዕና ኣለና ብምባል ሕብረት ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን ንዝተፃወትዎ ጊደ ንኢዶም። ንሶም ብተወሳኺ እቲ ስምምዕ ክሰርሕ ግን ብዙሕ ትዕግስትን ቅንዕናን ይሓትት ኢሎም። “ፕረዚደንት ኣል-በሽር ካብ ስልጣኖም ምስ ተወገዱ ላዕለዋይ ኮሚኒሽነር ኣብ ሱዳን ዝተፈጥረ ቅልውላው ምንጩ ኣተሓሕዛ መሰላት፣ዘይተመለሰ ቁጠባዊ ሕቶ፣ማሕበራዊ፣ስቪላውን ፖለቲካውን መሰላት ምዃኖም ኣስሚሮምሉ እዮም።መፍትሒኡ ኸኣ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት እዩ።” ጊልሞር ቐጺሎም ዘይምዕዳል ኮይኑ ናይ በሽር ምውራድ ኣብታ ሃገር ህውከት ወይ በደል ከብቕዕ ኣይገበረን፡6 ሰነ 2019 ልዕሊ 100 ሰላማዊ ሰልፈኛታት ብሓይልታት ፀጥታ ተቐቲሎም ኢሎም ። ኣብ ልዕሊ ንወታደራዊ መሪሕነት ዝቓወሙ ሰፊሕ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዓፈናን ክፍፀሙ ፀኒሖም።ኩሎም ሱዳናዊያን ፀገሞም ብልዝብ ክፈትሑን ዝተፈፀመ በደል ብነፃ ክምርመርን ፍትሒ ክረጋገፅን ጊልሞር ፀዊዖም ኣለው። ሚንስትር ፍትሒ ሱዳን ዑስማን ሑመይዳ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ከምዚ ክብሉ ይገልፁ። “ሱዳን ኣብ ባይታ ብዝተፈጥረ ህዝባዊ ለውጢ ኣብ ናይ ብሓቂ ናይ ስልጣን ስግግር እያ ዘላ።ኣብዚ ሓዱሽ ምዕራፍ ሱዳን ኣብ ኩሉ መዳያት ንዘጋጠሙዋ ፈተናታት ንምስዓር ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ምትሕብባርን ሓገዝን እያ ትፅበ።” ሑመይዳ ወሲኾም ሱዳን መንገዳ ትልውጥ ስለዘላ ኣብ ልዕሊኣ ዝተነብረ ሃሳይ ማዕቐብ ክልዓለላን ሃገራትን ሓላኺ ናይ ወፃኢ ዕዳ ክስርዛላን ወሲኾም ፀዊዖም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%8C%8B%E1%8A%A5%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%B0%E1%8D%8D%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8A%BD%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8E-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4993218.html"} {"headline":"\"ኣብ ኢትዮጵያ ፅልእን ዕግርግርን ካብ ዝለዓዕሉ ኣባላት ዳያስፖራ ዝተወሰኑ ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ እዮም\" ኣምባ. ማይክል ሬይነር","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ፅልእን ዕግርግርን ካብ ዝለዓዕሉ ኣባላት ዳያስፖራ ዝተወሰኑ ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ እዮም ክብሉ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ተዛሪቦም። ሎም ቅነ ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳይ ዝተዛረቡ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ፅልእን ህውከትን የልዕሉ ኣለው ዝበሉዎም ሓደ ሓደ ኣባላት ዳያስፖራ ናይ ሓቂ ኣምላክ ይፍረደኩም ክብሉ ኣማሪሮም ኔሮም። ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ሬይነር ኣብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ኢትዮ-ኣሜሪካ ጉባኤ ሓካይም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ትኹረት ዘስሕቱ ምክፍፋልን ጥፍኣትን ዘስዕቡ ንዝበልዎም ድምጺን ሓሳባትን ኢትዮጵያዊያን ጠቂሶም ገለ ካብዞም ድምጺታት ኣብ ኣሜሪካ ካብ ዝነበሩ ኢትዮጵያዊያን ዝመጹ’ዮም ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8D%85%E1%88%8D%E1%8A%A5%E1%8A%95-%E1%8B%95%E1%8C%8D%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%88%E1%8B%93%E1%8B%95%E1%88%89-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5%E1%8D%96%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%91-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A5%E1%88%A9-%E1%8A%A5%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3-%E1%88%9B%E1%8B%AD%E1%8A%AD%E1%88%8D-%E1%88%AC%E1%8B%AD%E1%8A%90%E1%88%AD-\/4991514.html"} {"headline":"ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ናይ 2011 ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ተዓዋቲት ኮይና","content":"ውድድር ፕሪመርሊግ ኢትዮጵያ 2011 ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ መቐለ ተዛዚሙ፡ ጋንታ መቐለ ድማ ኣብ ታሪኻ ንፈለማ እዋን ዋንጫ ዓቲራ:: ጋንታታት ሲዳማ ቡናን ፋሲል ከነማን ድማ ኣብቲ ሊግ ካልኣይን ሳልሳይን ብምኳን ነቲ ውድድር ዛዚመን:: ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ መበል 30 ሰሙን ትማሊ ኣብ ስታድዮም ከተማ መቐለ 70 እንደርታ ንድሬዳዋ ከነማ 2 ብ 1 ብምስዓር ዋንጫ ዓቲራ። ኦሴይ ማዊሊ ኣብ መበል 45፣ ኣማኑኤል ገብረሚካኤል ድማ ኣብ መበል 55 ደቒቓታት ብፍፁም ቅላዕ ብወገን መቐለ ሸቶ ዘመዝገቡ ኮይኖም: ኤልያስ ማሞ ናይ ድሬዳዋ ድማ ብሕታዊት ሸቶ ኣብ 78 ደቒቓ ኣመዝጊቡ:: በዚ ድማ መቐለ 70 እንደርታ ብ59 ነጥቢ ናይቲ ሊግ ሻምፒዮን ክትኸውን ከላ ኣጥቃዓይ እታ ጋንታ ኣማኑኤል ገብረሚካኤል ድማ ብ18 ሸቶታት ዝለዓለ ኣብቲ ሊግ ጎል ዘመዝገበ ተጻዋታይ ኮይኑ’ሎ። No media source currently available ኣሰልጣኒ መቐለ 70 እንደርታ ገብረመድህን ሃይለ ድሕሪ እቲ ፀወታ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ውድድር ዓመተ 2011 ፈታንን ብዙሕ ፀገማት ዝነበርዎ ኮይኑ ዝሓለፈ እዩ: ኣብ መወዳእታ ድማ እዚ ኩሉ ፀገም ተሳጊርና ንዓወት ብምብቃዕና ሕጉስ እየ ኢሎም:: ኣብ ዝቕፅል ዓመት እታ ጋንታ ኣብ ሻምፒዮንስሊግ ኣፍሪቃ ትሳተፍ ብምኳና ብኣግኡ ምድላዋት ብምግባር ንዝሓሸ ውፅኢት ንምርካብ ክንቀሳቐስ ኢና ኢሎም:: ዝሓለፈ ዓመት ናብቲ ሊግ ዝኣተወት መቐለ 70 እንደርታ ተዓዋቲት ፕሪይመርሊግ ኢትዮጵያ ክትኸውን ኣብ ኣብ ታሪኻ ንፈለማ ግዜ እዩ:: ደገፍቲ እቲ ጋንታ ትማሊ ኣብ ጎደናታት መቐለ ወፂኦም ሓጎሶም ክገልጹ ኣምስዮም:: ኣብ ካልእ ፀወታ ሲዳማ ቡና ኣብ ሜዳኣ ምስ ወልዋሎ ገጢማ 3-0 ተዓዊታ:: ሲዳማ ቡና ካብ መቐለ 70 እንደርታ ብሓደ ነጥቢ ድሒራ ብ58 ነጥብታት እቲ ውድድር ካልኣይ ብምኳን ዛዚማ:: ነቲ ሊግ እናመርሐት ናይ መወዳእታ ፀወታ ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ዘካየደት ፋሲል ከነማ ድማ ምስ ስሑል ሽረ 1-1 ተፈላልያ:: ብመሰረት እዚ ፋሲል ከነማ ብ57 ነጥቢ ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ እቲ ሊግ ዛዚማ:: ደደቢት፣ መከላከያን ደቡብ ፖሊስን ድማ ካብቲ ሊግ ዝወጻ ጋንታታት ኮይነን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8B%E1%8A%95%E1%89%B3-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-70-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%89%B3-%E1%8A%93%E1%8B%AD-2011-%E1%8D%95%E1%88%AA%E1%88%9A%E1%8B%A8%E1%88%AD-%E1%88%8A%E1%8C%8D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%8B%E1%89%B2%E1%89%B5-%E1%8A%AE%E1%8B%AD%E1%8A%93\/4991410.html"} {"headline":"ጉባኤ ባይቶ ክልል ትግራይ ይካየድ ኣሎ","content":"ናብ ስሩዕ ስርሑ ዝተመለሰ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ገምጋማዊ ሪፖርት ኩነታት እታ ክልል ዓመተ 2011 ካብ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶ\/ር ደብረጽየን ገ\/ሚካኤል ሰሚዑ። ዛዕባ’ቲ ሪፖርት ካብ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ቢሮ መብርሂ ቀሪቡ: ቤት ምኽሪ ተካቲዑሉ። ናይ ምምሕዳሮም ሪፖርት ዘቕረቡ ዶ\/ር ደብረጽየን ገ\/ሚካኤል ኣብ መደረኦም ‘ኢትዮጵያ ንምብታን በብግዝኡ ዝተፈላለየ መልክዕ ዘለዎ ኣካይዳ ይረ ኣሎ፣ ነዚ ድማ ኩላትና ብሓባር ክንቃለሶ ይግባእ’ ኢሎም። እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ፀብፃቦም ስራሕ ኣልቦነት ንምንካይ ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 260 ሽሕ ሰባት ናይ ስራሕ ዕድል ከምዝተፈጠረሎም ገሊፆም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%89%E1%89%A3%E1%8A%A4-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%88%8E\/4988169.html"} {"headline":"ቁጽሪ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ሊብያ ብደብዳብ ነፈርቲ ዝሞቱ 55 ምብጽሑ ሕ\/ሃ ኣፍሊጡ","content":"ሕቡራት ሃገራት ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ለይቲ ኣብ ዋና ከተማ ሊቢያ ትሪፖሊ ስደተኛታት ተኣሲሮምሉ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ማእኸል ብዝተፈፀመ ደብዳብ ነፋሪት እንተወሓደ 55 ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት ልዕሊ 130 ድማ ከምዝቖሰሉ ገሊፁ። ካብ ከተማ ትሪፖሊ ውፅእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ መዳጎኒ ፍልሰተኛታት ካብ ዝተፈፀመ ደብዳብ ብዙሓት ኣየምለጡን።ሕጂ እውን ኣብ ሆስፒታል ኣለው።ካብቶም እሱራት ሓደ ሱዳናዊ ስደተኛ ሳዳም ከምዚ ይብል። “ ፈለማ ኣብ ርሑቕ ግጭት ሰሚዕና፤ቀፂሉ ሓያል ቦምብ ተተኲሱ።ነቲ ዝነበርናዮ ማዕጾ ብሓይሊ እንኳሕኲሕና ሓለውቲ ከፊቶም ኣውፂኦምና።እቲ ህንፃ እናርኣናዮ ብሓዊ ይነድድ ነይሩ እዩ።” ሕቡራት ሃገራት እቲ መጥቓዕቲ ብገበን ኲናት ከሕትት ይኽእል እዩ ኢሉ’ሎ። እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ምብራቓዊ ሊቢያ ንወታደራዊ ሓይሊ ይመርሕ ናይ ዘሎ ኸሊፋ ሓፍታር እሙናት ሓይልታት ከምዝተፈፀመ ሰበስልጣን ካብ ትሪፖሊ ይገልፁ። ሓይልታት ሓፍታርን እሙናት ሓይልታት ዓለምለኸ ተቐባልነት ናይ ዘለዎ መንግስቲን ንዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ውግእ ይርከቡ። እቲ ውግእ ንኣስታት 700 ሰባት ቀቲሉ ን94,000 ሰባት ድማ ኣመዛቢሉ’ሎ። ኣዛዚ ፖሊስ ሌቴናል ኮሎኔል ናውሮዲን ካብ ትሪፖሊ ከምዝሓበሩዎ እቶም ስደተኛታት ካብ ኣፍሪቃ፣ካብ ኤስያን ሃገራት ዓረብን ዝመፁ እዮም። ኣብ ጥቓ እቲ ዝዓነወ ማእኸል መዳጎኒ ስደተኛታት ናይ ኣፅዋር መኽዘን ከምዘሎ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝተባህለ ተሓላቒ መሰላት ብመፅናዕቱ ገሊፁ’ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%B3%E1%8C%8E%E1%8A%92-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8D-%E1%88%8A%E1%89%A5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%89%A5-%E1%8A%90%E1%8D%88%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%88%9E%E1%89%B1-55-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%88%91-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4986812.html"} {"headline":"ሊብያ: ኤርትራዊያን ግዳያት ደብዳብ ነፈርቲ መዳጎኒ ማእከል ታጁራ እንታይ ይብሉ","content":"ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ታጁራ ብዘጋጠመ ደብዳብ ነፈርቲ ኣስታት 40 ሰባት ምሟቶም ሓቢሩ’ሎ። ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ጋሳን ሳላመ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ “ እቲ መጥቓዕቲ ምስ ገበን ኹናት ዝምደብ’ዩ” ኢሎም ድሕሪ ምግላጽ “ኣብ ዘሰካሕክሕ ኩነታት ዝርከቡ ንጹሃን ሰባት ዘጽለልሉ ቦታ ብሃንደበት እዮም ተቐቲሎም ዘለው” ኢሎም። ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታትን ሕብረት ኣፍሪቃን ነቲ ደብዳብ ነፈርቲ ብትሪ ኾኒኖምዎ ኣለው። ሰበ ስልጣን ሕክምና ሊብያ ተወሳኺ ኣስታት 80 ሰባት በቲ ኹነታት ምቁሳሎም ሓቢሮም ኣለው። ላዕለዋይ ኮሚሽነር ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንደ ሰላማዊያን ሰባት ዒላማ ክኾኑ ኣይግባእን: ስደተኛታት ድማ ኣብ መዳጎኒ ክእሰሩ’ውን ኣይግባእን እዩ። ኣውሮጳ ንምብጻሕ ሓደገኛ ጉዕዞ ኣብ ምክያድ ዝተታሕዙ ስደተኛታት ናብ ከም ሊብያ ዝኣመሰለ ዘይውሑስ ቦታ ጃብ መጀመርያ ክምለሱ’ውን ኣይግባእን ኔሩ ኢሎም። ንሶም ብተወሳኺ ምስ ኣብ ሊብያ ዝዋግኡ ዘለው ክልቲኦም ወገናት ቅርበት ዘለዎም ሃገራት ኹናት ደው ከብሉ ክጽውዑ’ውን መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም ኣለው። ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋዊ ብወገኖም ኩሎም ወገናት ንውሕስነት ሰላማዊያን ሰባት ብፍላይ ድማ ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ዝርከቡ ስደተኛታት ከውሕሱ ብምጽዋዕ ኣብቲ ናይ ሎሚ ሶሉስ መጥቓዕቲ ዝምልከት መርመራ ክካየድ ሓቲቶም ኣለው። ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ታጁራ መዳጎኒ ማእከል ንዘለው ሰለስተ ስደተኛታት ኣዘራሪቡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%B3%E1%8C%8E%E1%8A%92-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8D-%E1%89%B3%E1%8C%81%E1%88%AB-%E1%88%8A%E1%89%A5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%89%A5-%E1%8A%90%E1%8D%88%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-40-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%BD-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%89%A6%E1%89%B3-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%8C%8D%E1%8A%95-%E1%89%B2-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%8A%AB%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B8-%E1%8A%95%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8B%A9-%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%8D\/4985508.html"} {"headline":"ኣብ ጉዳይ ምዝንባል ተወለዲ ጌዶ፡ ቡርጂን ኮሬን ዝተተርጠሩ 262 ሰባት ኣብ ቐይዲ ምእታዎም ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ጉጂ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ንተወለድቲ ብሄረሰባት ጌዶ፣ቡርጂን ኮሬን ካብ መነባብርኦም ክመዛበሉ ጌሮም፣ኢሰብኣዊ ገበናት እውን ፈፂሞም ብምባል ዝጠርጠሮም 262 ሰባት ክሳብ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ኣማሓዳሪ ናይቲ ዞባ ኣቶ ኣበራ ቡኖ ገሊፆም። ንሶም ዝርዝር ከይዲ ከይገለፁ 89 ገበነኛታት ብምዃኖም ተፈሪዱዎም ኣሎ ኢሎም። ብተወሳኺ ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ ንቀሳቐስ ኣለና እውን ኢሎም። “መርማሪ ጉጅለ ብምጥያስ ብርክት ዝበሉ ተጠርጠርቲ ተታሒዞም ኣለው።ኣብዚ ጉዳይ ዝተሳተፈ ተጠርጣሪ ኣየምልጥን።ልዕልነት ሕጊ ምኽባር ናይ መጀመሪያ ጠመተና ስለዝኾነ ዋላ ሓደ ከይተረፈ ንፍርዲ ክነቕርቦም ኢና” ድሕሪ ምባል ኣቶ ኣበራ ካብዚ ብተወሳኺ ዜጋታት መሊሶም ክጣየሱ ዝተወዳደ ስራሓት ይስራሕ ከምዘሎን እንተኾነ ግን ኣብ ቀረብ ሕርሻን ካልእን ገለ ፀገማት እንተጋጠመ እውን ዝተዋደደ ስራሓት ቀፂሉ’ሎ ኢሎም ። ኣማሓዳሪ ናይቲ ዞባ ኣቶ ኣበራ ቡኖ እቲ ከባቢ ካብ ዕጡቓት ንምፅራይ ስራሓት ይስርሑ’ዃ እንተሃለወ ሓሓሊፉ ምትንዃያት ኣሎ ኢሎም። ካብ ዞባታት ምዕራብን ምብራቕን ጉጂ ኣስታት ፍርቂ ሚሊዮን ኣባላት ብሄረሰብ ጌዶ፣ልዕሊ 23 ሽሕ ኮሬን ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ተወለድቲ ቡርጂ ብሄረሰብን ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ምዝባሎምን ተመዛበልቲ ጌዶ ብናይ መንግስቲ ጻዕሪ ምሉእ ብምሉእ ናብ መንበሪኦም ምምላሶም ድምጺ ኣሜሪካ ምፅብፃቡ ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8B%B2-%E1%8C%8C%E1%8B%B6-%E1%89%A1%E1%88%AD%E1%8C%82%E1%8A%95-%E1%8A%AE%E1%88%AC%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%8C%A0%E1%88%A9-262-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%90%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4985403.html"} {"headline":"ነባራይ ተምቤን 'ብፖሊስ መግረፍቲ ከምዝተፈጸሞ' ይገልጽ","content":"ነባራይ ተምቤን ዓብዪ ዓዲ ኃይለማርያም ሕሉፍ ኣብ'ዚ ቀረባ 'ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ'ታ ከተማ ካብ ስርሑ ኣገዲዱ ድሕሪ ናብ ቤት ማእሰርቲ ምእታው ከምዝገረፎ' ገሊጹ። ንሱ 'ጠንቂ መግረፍቲን ምቕጥቃጡን ዝተፈላለዩ ክኾኑ ይኽእል'ዩ ብፍላይ ግና ኣባል ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ ትግራይ (TAND) ስለዝኾንኩ'የ' ይብል። ኃይለማርያም ሕሉፍ ብሰንኪ ዝወረዶ መግረፍቲ ሓደ እዝኑ ከምዝጸንዖን ኣብ ዝተፈላለዩ ማእከላት ሕክምና ክንክን ይረክብ ከምዘሎን ገሊጹ። ካብ ቤት ምእሰርቲ ዘውጸኦ ቢሮ ፍትሒ'ቲ ወረዳ ከምዝኾነ'ውን ሓቢሩ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/tembien-hailemariam-hiluf-police-tortore-claims\/4983783.html"} {"headline":"ዶ\/ር ብርሃኑ ነጋ ኣብ መደረ ፓርላማ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ርእይቶ ይህብ","content":"ሓዲሽ ዝተመስረተ ናይ ተቓውሞ ልፍንቲ ካብ ዝመርሑ ሓደ`ዩ- ዶ\/ር ብርሃኑ ነጋ። ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ(ኢዜማ) ዝተባህለ ውድብ ይመርሕ። ኣብቲ ትማሊ ዝተጋብአ ፓርላማ ኢትዮጵያ፡ ብጋሻነት ተዓዲሞም ካብ ዝተሳተፉ መራሕቲ ተቓወምቲ ሓደ ኔሩ። ንሱ ብዛዕባ`ቲ ብቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝቐረበ ትርር ዝበለ መደረ ንድምጺ ኣሜሪካ ርእይትኡ ሂቡ`ሎ። “ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣብ ልዕሊ ሕጋዊ ዘይኮነ ኣካይዳ፡ ተሪር ስጉምቲ ምውሳድ ከምዝጅምሩ ዝእምት`ዩ” ይብል። ምሉእ ሪፖርት ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%83%E1%8A%91-%E1%8A%90%E1%8C%8B-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%B0%E1%88%A8-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%88%8B%E1%88%9B-%E1%89%80%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A2%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8B%AD%E1%88%85%E1%89%A5\/4983741.html"} {"headline":"መንግስቲ ኤርትራ ለውጢ እንተዘየተኣታትዩ ዋሕዚ ኤርትራዊን ስደተኛታት ክቕጽል’ዩ ክብላ ፍልይቲ ራፖርተር ሕ\/ሃ ኣፍሊጠን","content":"ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት እንተዘይተመሓይሹን መንግስቲ መሰረታዊ ናጽነት ዘረጋግጹ ለውጢ እንተዘየተኣታትዩን ዋሕዚ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ደው ከምዘይብል ፍልይቲ መርማሪት ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዳኔላ ክራቫትስ ኣጠንቒቐን። ንሰን ነዚ ዝበላ ናይ ፈለማ ዓመታዊ ሪፖርት ንቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ሶሉስ ኣብ ዘረከበትሉ ጊዜ’ዩ። ናይ ሕቡራት ሃገራት ፍልይቲ ራፖርተር ዳኔላ ክራቫትስ \\ኤርትራን ኢትዮጵያን ቕድሚ ሓደ ዓመት ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ድሕሪ ምፍራረመን ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት እንዳሓየለ ምምጽኡ ዘሓጉስ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጻ ይኹን ደአ እምበር ዋላ’ኳ ኣወንታዊ ምዕባለታት እንተለው ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ ጉዳያት ኤርትራ ዝጭበጥ ለውጢ የለን ኢለን። “ሓፈሻዊ ውጽኢት ሰላም ንተራ ኤርትራዊያን ዜጋታት ገና ክጠቅም ኣይጀመረን፡ ክጥቅም ዝክእለሉ ምልክታት’ውን ኣየርእይን’ዩ ዘሎ ከምውጽኢቱ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዜጋታት’ታ ሃገር ይስደዱ ኣለው።” ፍልይቲ ራፖርተር ክራቫትስ ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ቀንዲ ምክንያት ስደት ኤርትራዊያን ኮይኑ ይቕጽል ምህላው ከምዝተዓዘባ ይገልጻ። ንሰን ብተወሳኺ ካብ 18 ክሳብ 50 ዓመት ዝዕድሚኦም ዜጋታት ናይ 18 ኣዋርሕ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክገብሩ ከምዝግደዱ፡ እንተኾነ እቲ ህልው ኩነታት ግን ደረት ጊዜ ዘለዎ ብዘይምዃኑ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ሃገሮም ገዲፎም ክስደዱ ይግደዱ ኣለዎ ትብል። ክራቫትስ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ለውጢ ከተኣታትው ኣብ ኣገልግሎት ንዘለው ድማ ከጣይስን ናይ ስራሕ ዕድል ክፈጥርን ይጽውዓ። ከምኡ`ውን ኣብታ ሃገር ዝረአ ናይ ሃውሪ ማእሰርቲ፡ ግዱድ ምስዋር ሰባትን ማእሰርቲ ብዘይ ፍርዲን ከምዘተሓሳሰሰን ኣብ`ቲ ሪፖርት ገሊጸን። “ ሓደ ኣብነት ማእሰርቲ ኤርትራዊት ኣሜሪካዊት ሲሃም ዓሊ’ዩ። ኣብ ወርሒ ታህሳስ 2012 ጓል 15 ዓመት ከላ ብዘይፍቓድ ካብ ሃገር ክትወጽእ ኣብ ዝፈተነትሉ ተታሒዛ ክሳብ ሕጂ ኣብ ማእሰርቲ ትርከብ። ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ሲሃም መበል 22 ዓመት ልደታ ኣብ ማእሰርቲ ኣኽቢራ’ላ። ብዛዕባ ኩነታታ ድማ ዝፍለጥ ነገር የለን።” ክራቫትስ ወሲኸን ኩሎም እሱራት ፖለቲካ ኤርትራ ክፍትሑን ኤርትራ ንልዕልና ሕጊን ፍትሒን ክትህልውን ከተሓየልን ጸዊዐን። ነዚ ምላሽ ዝሃበ ካብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ፡ ኣብ ሉኣላዊነት ሃገሩ ዝካየድ ምትእትታው ከምዘይቕበሎ ብምግላጽ፡ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተፈብረኸ ክስታት ሰብኣዊ መሰላት ተመርኩሱ ፡ዘይምኽኑይ ውሳነታትን ፍሉይ መዝነትን ብምጥቃም፡ ንዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ንሃገሩ ኤርትራ ዒላማ ጌሩ ክኸይድ ምጽንሑ ገሊጹ። ንሱ ብተወሳኺ ቀንዲ ዕላማ ፍልይቲ ራፖርተር ንኤርትራ ንምውራድ፡ ምግላልን ዘይምርግጋእ ንምፍጣር ከምኡ’ውን ንዞባዊ ሰላምን፡ጸጥታን ምዕባለን’ቲ ዞባ ንምትሕልላኽ’ዩ ኢሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%88%E1%8B%8D%E1%8C%A2-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%8B%A8%E1%89%B0%E1%8A%A3%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8B%A9-%E1%8B%8B%E1%88%95%E1%8B%9A-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%89%95%E1%8C%BD%E1%88%8D-%E1%8B%A9-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8B-%E1%8D%8D%E1%88%8D%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%88%AB%E1%8D%96%E1%88%AD%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A0%E1%8A%95\/4983703.html"} {"headline":"“ብሓድነት ኢትዮጵያ ንዝመጸና ብብርዒ ዘይኮነ ክላሽን ሒዝና’ውን ክንዋጋእ ኢና” ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ “ሓቂ ምስና ምስቶም መራሕቲ ለውጢ ስለዝኾነት ዝዓግተና የልቦን” ክብሉ ሎሚ ንፓርላማ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብቲ ሎሚ ንፓርላማ’ታ ሃገር ዝሃብዎ መግለጺ ብሓድነት ኢትዮጵያ ንዝመጸና ሓይልታት ብብርዒ ዘይኮነ ክላሽን ሒዝና’ውን ክንዋጋእ ኢና ክብሉ ኣብቲ ጉዳይ ከምዘይደራደሩ ኣፍሊጦም። No media source currently available ሎሚ ቕነ ኣብ ባህርዳርን አዲስ አበባን ዝተፈጸሙ ቅትለታት ወሲኽካ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘቕንዔ በለካ ለኽዓካን ወረ ጅምላዊ ውሳነን ንዝበልዎ’ድማ ኣምሪሮም ነቒፎም። ቀ\/ሚ ኣብይ ነቲ ናይ ባህርዳርን አዲስ አበባን ቅትለታት መጥቓዕቲታትን ፈተነ ዕልዋ ኣይኮነን ንዝበሉ ብትሪ ነቂፎም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%8C%B8%E1%8A%93-%E1%89%A5%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%8B%92-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8A%AE%E1%8A%90-%E1%8A%AD%E1%88%8B%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%92%E1%8B%9D%E1%8A%93-%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%8A%95%E1%8B%8B%E1%8C%8B%E1%8A%A5-%E1%8A%A2%E1%8A%93-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5\/4982116.html"} {"headline":"ሻምፒዮን ቅድድም ብሽክለታ 2019 ኤርትራ ተካይዱ","content":"ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ጋንታ ኮፊደስ ናትናኤል ብርሃነ ብደቂ ተባዕትዮ፡ ብደቂ ኣንስትዮ ድማ ዳናይት ፍጹም ተዓወቲ ሻምፒዮን ኤርትራ 2019 ኮይኖም። ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ከኣ ፕሮፌሽናል ተቕዳዳማይ ኣማኑኤል ገ\/እግዚኣብሄር ካብ ክለብ ዳይሜንሽን ዳታ ሚለና ያፌት ካብ ክለብ ሰራይር ሳዋ ዝቐልጠፈ ሰዓት ብምምዝጋብ ተዓወቲ ኮይኖም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%BB%E1%88%9D%E1%8D%92%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%89%85%E1%8B%B5%E1%8B%B5%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%88%BD%E1%8A%AD%E1%88%88%E1%89%B3-2019-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%B0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/4980683.html"} {"headline":"ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ ኣብ ዙር ፈረንሳ 2019 ክሳተፍ'ዩ","content":"ኤርትራዊ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ክለብ ኮፊደስንን ሻምፕዮን ዙር ኤርትራን ናትናኤል ብርሃነ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ኣብ ዝካየድ ዙር ፈረንሳ 2019 ክሳተፍ ምኻኑ ተፈሊጡ። እዚ ዝተሓበረ: ክለብ ኮፈደስ ሎሚ ረፍዲ ዝርዝር ኣብ ዙር ፈረንሳ 2019 ዝስለፉ ተቐዳደምታ ወግዓዊ ድሕሪ ምግባራ እዩ። ናይ ሎም ዘበን ዙር ፈረንሳ ንመበል 106 ግዜ ዝካየድ ኮይኑ: 3,480 ኪሎ ሜተር ርሕቐት ዝሽፍን ምኳኑ ተፈሊጡ’ሎ። ክለብ ኮፊደስ: ኣብቲ ብደረጃ ዓለም ስሙ ግኑን ዝኾነ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ፈረንሳ ኣብዚ ዓመት ንመበል 23 ግዜ ክትሳተፍ’ያ ። ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት: ናትናኤል ብርሃነን መርሃዊ ቅዱስን ኣቐዲሞም ኣብ ዙር ፈረንሳ ተሳቲፎም ምንባሮም ይፍለጥ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%93%E1%89%B5%E1%8A%93%E1%8A%A4%E1%88%8D-%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%83%E1%8A%90-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%99%E1%88%AD-%E1%8D%88%E1%88%A8%E1%8A%95%E1%88%B3-2019-%E1%8A%AD%E1%88%B3%E1%89%B0%E1%8D%8D-%E1%8B%A9\/4980675.html"} {"headline":"ግብረ መልሲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራን ንቃለ-መጠይቕ ህ\/ርክባት ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ","content":"ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ነቲ ብህዝባዊ ርክባት ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣቶ ታጀዲን ዓብደልዓዚዝ ብዕለት 12 ሰነ 2019 ምስ ወኪል ራድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ኣስመራ ብርሃነ በርሀ ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠይቕ “መስርሕ ምርኽኻብ ምሕደራ’ምበር፣ ዝኾነ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ፣ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቲ ወይ ሰራሕተኛታት ዝተገብረ ምፍርራሕ የልቦን” ዚብል ዝሃቦ መግለጺ ግጉይ ሓበሬታ’ዩ ክትብል ምላሽ ሂባትሉ’ላ። ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብቲ ኣብዚ ሳልስቲ ዘውጽኣቶ መግለፂ፡ “ኣብዚ ቕንያት’ዚ ብናይ መንግስቲ ኤርትራ ውሳኔ፣ ኣብ መላእ ኤርትራ ዚሰርሓ ዝነበራ ልዕሊ 22 ዝኾና ናይ ሕክምና ማእከላት ምዕጻወን ብወገን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ተቓውሞ ቐሪቡ ግን ዝተዋህቦ ግቡእን ብቑዕን መንግስታዊ ምላሽ የልቦን። እንተኾነ ግን ንናይ መራኸቢ ብዙሃን ሃልኪ ዝተዋህበ ሓድሓደ ግጉይ ሓበሬታ፣ ርሑቕን ቀረባን ንዘሎ ዘጋጊ ግጉይን መስሓትን ስለዝኾነ፣ ነቲ ደላይ ሓቂ ከነብረሃሉ ንደልይ” ድሕሪ ምባል “ኣብ ንቡርን ልሙድን ኣሰራርሓ “ምምሕልላፍ \/ ምርኽኻብ” ማለት እንታይ ከምዝኾነ ፍሉጥ እዩ። ብዘይ ዝኾነ ይኹን ዘተን ልዝብን፣ ማለት ንዝምልከቶ ላዕለዎት ሰበስልጣንን ወናኒ ትካልን ከየፍለጥካ፣ ሓሳቡን መደቡን ከይተገንዘብካ፣ በይናዊ ብዝኾነ ኣገባብ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ስራሕ ዘሎ ኣካል ውሳኔ ምሕላፍን ናብ ተግባር ምስግጋርን ደኣ ምስ ምንታይ ኪቝጸር እዩ? ዝኾነ ይኹን ዘረክብን ዚርከብን ዘመሓላልፍን ሰብ፣ ናይ ትእዛዝን ናይ መረኻኽብን ሰነድ ብዘይብሉ፣ ናይ በዓል ስልጣን ናይ ለኣኺኻን መሰነይታ ዘይብሉዶ ይግበር እዩ? እዚ ደኣ ምስ ምንታይ ኪቕጸር እዩ?”ክብል ብምሕታት “ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፣ እቲ ተግባር ብዅሉ ኣገባቡ ልዕሊ ምህጋር’ውን እዩ” ኢሉ’ሎ። ኣብኡ ንዘገልግሉ ኣባላት ምፍርራሕን ከምኡ ዝዓይነቱ ቃላትን’ውን ነይሩ እዩ፤ እቶም እዚ ዘጋጠሞምን ብዓይኖም ዝረኣይዎምን ሰባት ኪምስክሩ ይኽእሉ እዮም ክብል እቲ መግለጺ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ሓቢሩ’ሎ። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት “ንእምነት ኣይተንከፍናን” “መሰል እምነት” “ብሕጊ ሕሉውን ውሑስን እዩ” “ጉዳይ እምነት ኣይተተንከፈን” “ኤርትራ ዓለማዊ መስመር እትኽተል ሃገር’ያ” “መንግስትን ሃይማኖታዊ ስርዓትን፣ ፖለቲካን ሃይማኖትን ዝተፈላለየ እዩ” ይበሃል፡ ግን “ንብጻይካ ኣፍቅር ጽቡቕ ግበረሉ” ዚብል ናይ እምነትና ትእዛዝ ንምፍጻም ንእንገብሮ ምንቅስቓስ ዚዓግተና ዘበለ ኵሉ፡ መሰረታዊ መሰል ናጽነትን መሰል እምነትን ምትንካፍ እዩ። እቶም እዚ ሰናይ ግብሪ ዚድልዮም ኸኣ ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰሎም ይትንከፍ፣ ጽቡቕ ነገር ናይ ምርካብ መሰሎም ይግፈፍ ማለት’ዩ” ኢሉ’ሎ። እቲ መግለፂ ኣብ መወዳእታ “ንኣገልገልቲ ቤተክርስትያን ዘይፈጸምዎ ገበን ከሸክምን፣ ስሞም ከጸልምን ዝዓለመ ናይ ምንዋር ተግባር’ውን ተሓዊስዎ’ሎ፣ ድሕሪ ምባል ሓደ ብሽሙ ዝጠቀሶ ጋዜጠኛ መሠረት ዘይብሉ፣ ምንጪ ዘይጠቐሰሉ ሓበሬታ ዘርጊሑ’ሎ። ኣብ ናጻ ዝኾነ ዓለም እናነበረ ነቲ “ዘረባ ክልተ ከይሰማዕካ ኣይትፍረድ” ዚብል መምርሒ ዘይምኽታሉ እቲ ዝተበገሰሉ ዕላማ እንታይ ምዃኑ ዚእምትን፣ ንተኣማንነቱ ኣብ ሕቶ ዜውድቕን እዩ ክብል መግለፂ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ሓቢሩ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%8A%AB%E1%89%B6%E1%88%8A%E1%8A%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%89%A4%E1%89%B0%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%85-%E1%88%AD%E1%8A%AD%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB\/4978198.html"} {"headline":"ሰበ ስልጣን ኤርትራን ደገፍቶምን ንዝወቅስዎም አካላት ዶባት ሰጊሮም ዒላማ ይገብሩ’ለው ክብል ኣምንስቲ ወቂሱ","content":"ሰበ ስልጣን ኤርትራን ደገፍቶምን ዶባት ሰጊሮም ንዝወቅስዎም አካላት ዒላማ ይገብሩ’ለው ክብል ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኣፍሊጡ። ኤርትራ ኣብቲ ንምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ዝቆመ ዓለምለኸ ትካል ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት አባል ኾይና ተቐሚጣ ኣብ ዘላትሉ ኣብ ወጻኢ ዘለው ሰብ ስልጣናት መንግስቲን ደገፍቶም ኣብ ስደት ንዝርከቡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ተቓወምቲን ነቲ ጸቓጢ ስርዓት ስለዝወቀሱ ጥራይ የሰራጥይዎም ኣለው ክብል ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ወቂሱ’ሎ። አምንስቲ ኢንተርናሽናል ኣብቲ መግለጺ ብፍላይ ኣብ ኬንያ: ሆላንድ: ኖርወይ: ሽወደን፡ ስዊዘርላንድን ብሪጣንያን ዝርከቡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ደገፍትን ሰበ ስልጣናትን መንግስቲ ኤርትራ መጥቓዕቲታት ተፈጺምዎም ኣሎ። እዚ’ውን ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ሰኒድዎ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ጸብጻብ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኣብዚ ምንባብ ይክኣል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8B%B0%E1%8C%88%E1%8D%8D%E1%89%B6%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%89%85%E1%88%B5%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8B%B6%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%8C%8A%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8B%92%E1%88%8B%E1%88%9B-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A9-%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4978178.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ኣብ ከተማ ደምቢደሎ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ከተማ ደምቢደሎ ሎሚ ሰላማፊ ሰልፊ ተኻይዱ። ሰልፈኛታት ኣብ ዱር ዝርከቡ ዕጡቓት ጉጅለታት ምስ መንግስቲ ተላዚቦም ሰላም ክፈጥሩ ሓቲቶም ኣለው። እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተኻየደ እቲ ሕብረተሰብ ብዘቕረቦ ሕቶ መሰረት’ዩ ዝበሉ ናይ’ቲ ዞባ ሓላፊ ፖለቲካን ውዳበ ገጠርን ኣብ ዱር ተዓጢቑ ዝንቀሳቀስ ዘሎ ሓይሊ ብዕርቂን ሰላማዊ ኣገባብን ንኽኣትው ጸዊዖም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8B%B0%E1%88%9D%E1%89%A2%E1%8B%B0%E1%88%8E-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8A-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/4978152.html"} {"headline":"ጀነራል ኣደም መሃመድ ሓላፊ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮይኖም ተመዚዞም","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ዝተፈላለዩ ሹመት ከምዝሃቡ ተገሊጹ። ብመሰረት’ዚ ጀነራል ኣደም መሃመድ ሓላፊ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮይኖም ተመዚዞም ኣለው። ሌተናል ጀነራል ሞላ ሃይለማርያም አዛዚ ሓይሊ ምድሪ፡ ኣቶ ደመላሽ ገብረሚካኤል ኸአ ዋና ዳይሬክተር ሃገራዊ ስለያን ኣገልግሎት ደሕንነትን ኮይኖም ከምዝተመዘዙ ንሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ዝተላእኸ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣፍሊጡ’ሎ። ብካልእ ወገን ኣብ አዲስ አበባ ንዝርከቡ መሃውራት ዜና መግለጺ ዝሃባ ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ቢልለኔ ስዩም ሎሚ ቅነ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ነቲ ዝተጀመረ ለውጢ ከምዘይተዓናቅፍ ገሊጸን ኣለዋ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%80%E1%8A%90%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8B%B0%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%88%83%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8A-%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%8D%8D-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AE%E1%8B%AD%E1%8A%96%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9A%E1%8B%9E%E1%88%9D\/4978144.html"} {"headline":"ዶ\/ር ኣረጋዊ በርሀ ኣብ መቐለ ፈተነ መጥቓዕቲ ከምዘጋጠሞም ተገሊጹ","content":"ኣቦ መንበር ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ ትግራይ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ቀብሪ ዝተቐተሉ ጀነራላት ንምስታፍ ኣብ ዝኸድሉ እዋን ብመናእሰይ ፈተነ መጥቃዕቲ ከምዝተኻየደ ገሊጾም። ዶ\/ር ኣረጋዊ በርሀ ብሓገዝ ሓይልታት ፀጥታ ካብቲ መጥቃዕቲ ምውጽኦም ተገሊጹ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8A%A0%E1%88%A8%E1%8C%8B%E1%8B%8A-%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%88%80-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8D%88%E1%89%B0%E1%88%98-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%9E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4977933.html"} {"headline":"ኤርትራ ፡ብፍልይቲ ራፖርተር ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝቐረበ፡ ንጉዳይ ምዕጻው ትካላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝምልከት ሻቕሎት ትነጽግ","content":"ኤርትራ ፡ብፍልይቲ ራፖርተር ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝቐረባ፡ ንጉዳይ ምዕጻው ትካላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝምልከት ሻቕሎት፡ ኣሉታዊ ምላሽ ሂባትሉ። ንሃይማኖታዊ ትካላት ዝምልከት ሕጊ፡ ኣብ 1995 ምስ ዝምልከቶም ሃይማኖታዊ ትካላት ብምምኽኻር ከም ዝወጸን፡ ትካላት ሃይማኖት ንኻልኦት ዘይ-ሰዓብተን ንዘይምጉናይ ተባሂሉ ልምዓታዊ ምንቅስቓሳተን ዝድርትን፡ ካብ ወጻኢ ገንዘብ ከይሓታን ዝእዝዝን ምዃኑ ትገልጽ ኤርትራ፡ እቲ ስጉምቲ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንተጠቀምቲ ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ `ዩ ዝብል፡ ሓቅነት ዘይብሉ`ዩ ኢላ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ መዳይ ሓለዋ ጥዕና ብዝገበሮ ወፍሪ፡ 82% ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢ 10 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ናብ ሕክምናዊ መሳለጥያ ዕድል ከምዝረኸበ`ውን እቲ ካብ ጀነቫ ብወኪል መንግስቲ ኤርትራ ዝተዋህበ ምላሽ ይገልጽ። ፍልይቲ ራፖርተር ዳንኤላ ክራቨተዝ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ቀረባ ዝተራእየ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝተኻየደ ቅየዳ ትካላትን ማእሰርቲ አባላት ኦርቶዶክሲያዊት ቤተክርስትያንን ጉባኤታት ክርስትያንን ኣመልኪታ ከቢድ ሻቕሎታ ምግላጻ ይፍለጥ። ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታት ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝመሓደራ ዝነበራ ትካላት ጥዕና ቅድሚ ክልተ ሰሙን ብሃንደበት ከምዝተዓጽዋ ዝገልጽ ሓበረታ ድሕሪ ምስምዑ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ፡ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መጠይቕ፡ ናይ ምርኽኻብ መስርሕ`ምበር ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ኣይኮነን ኢሉ ኔሩ። እዚ ካብ ጀነቫ ዝወጸ መግለጺ ብወገኑ፡ እቲ ብምንስትሪ ጥዕና ዝወጸ መምርሒ፡ ሃይማኖታዊ ትካላት፡ ኣብ ትሕቲኤን ዝነበራ ክሊኒካት፡ ንዞባዊ ጨንፈራት ሚንስትሪ ጥዕና ከሰጋግራ ዝሓትት`ዩ ይብል። ኣተሓሒዙ፡ እቲ ብፍልይቲ ራፖርተር ሰብኣዊ መሰላት ዝቐረበ፡ እቲ ስጉምቲ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንተጠቀምቲ ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ `ዩ ዝብል፡ ሓቅነት ዘይብሉ ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ኣብ ምልእቲ ሃገር ተሰሪሖም ዘለዉ ናይ መወከሲን ዞባዊን ሆስፒታላት፡ ከምኡ`ውን ክሊኒካትን ትካላት ጥዕናን ብሚንስትሪ ጥዕና ዝንቀሳቐሱ`ዮም ይብል ። ኤርትራ ኣብ ምዕዋት ሸቶታት ሚለንየም ብመዳይ ክንክን ጥዕና ዘመዝገበቶ ዓወታት ብትካላት ሕቡራት ሃገራት ብፍላይ ድማ ብውድብ ጥዕና ዓለምን ዩኒሰፍን ከምዝተመስከረሉን፡ ምስ`ቶም ትካላት ኣብ ብዙሓት ፕሮግራማት ከምዝተሓባበርን ኣብ`ቲ ዝሃቦ ምላሽ ጠቒሱ`ሎ። ቀዋሚ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ መወዳእታ፡ እታ ፍልይቲ ራፖርተር፡ ኣብ`ታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ሃይማኖትን፡ ሃይማኖታዊ ምቅድዳውን፡ ሕጋዊ ባይታን ኣብ ግምት ከየእተወት ናብ ከምዚ ዓይነት ፍርድን ድምዳመን ምብጽሓ ኣሕዚኑና`ዩ ብምባል ነቲ ዘሎ ኣካይዳ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ። ምሉእ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/eritrea-respones-un-human-rights-rapportuer\/4976496.html"} {"headline":"ስነ ስርዓት ቀብሪ ጀነራል ሰዓረን ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ተፈጺሙ","content":"ኣብ’ቲ ሎሚ ረቡዕ ኣብ መቐለ ዝተፈጸመ ስነ ስርዓት ቀብሪ ነበርቲ ከተማ መቐለ፣ ካብ’ቲ ርሑቕን ቀረባን ከባቢታት ትግራይ ዝዋሓዙ ኣዝዮም ብዙሓት ቀባሮ፣ ካብ ዝተፈላለያ ክልላት ካብ ፌደራል መንግስቲ፣ ወከልቲ ጎረቤት ሃገር ሱዳን’ውን ተረኺቦም ነይሮም። ምክትል ርእሰ-ምምሕዳር ትግራይ ዶ\/ር ደብረጽየን ገ\/ሚካኤል ኣብ’ቲ እዋን ክዛረቡ ከለው ‘ህዝቢ ትግራይ በቲ ዝወረደ ጥቕዓት ይሕርን’ምበር ኣይርዕድን፣ ኣይምብርከኽን። ኣይስኮንንን። ኣይብተንን። ነንባዕሉ ኣይባላዕን’ ኢሎም። ዶ\/ር ደብረጽየን ወሲኾም ‘ኣብ ኢትዮጵያ፣ ዴሞክራሲ ንምስፋሕ ተባሂሉ ተኣሲሮም ዝነበሩ ንሕጊ ብምጥሓስ ተፈቲሖም’ዮም። እዛ ሃገር መዐንደሪ ጽንፈኛታት ኮይና ኣላ’ ምስ በሉ ‘ሕዚ ውሳነ ዝብጸሐሉ እዋን በጺሕና ኣለና። ትዕግስቲ በዚሑ’ውን’ ኢሎም። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-funeral-of-general-seare-mekonene-and-general-gezae-abera-in-mekelle-debretsion-speech-\/4975165.html"} {"headline":"ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝተቐንጸሉ ሰለስተ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኣብ ባህርዳር ሎሚ ተፈጺሙ","content":"ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ባህርዳር፡ ክልላዊ መንግስቲ ብምዕላው ኣብ ዝተኻየደ ፈተነ ዝተቐተሉ ፕረዚደንት`ቲ ክልል ዶ\/ር ኣምባቸው መኮነን፡ ጠቕላሊ ዓቃቢ-ሕጊ `ቲ ኽልል ኣቶ ምግባሩ ከበደ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት`ቲ ኽልል ኣቶ እዘዝ ዋሴን፡ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ባህርዳር፡ ቤተክርስትያን ቅዱስ ገብርኤል ተፈጺሙ። ኣብ`ቲ ኣብ ስታድየም ባህርዳር ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምፍናው፡ ም\/ቀ\/ሚንስተር ደመቀ መኮነን፡ ከምኡ ድማ ፕረዚደንትታት ዝተፈላለያ ኽልላት ኢትዮጵያን ተረኺቦም ኔሮም። ምሉእ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%89%A5%E1%88%AA-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%90%E1%8A%95%E1%8C%B8%E1%88%89-%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%AD%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%99\/4975125.html"} {"headline":"'ብዋርድይኦም ኣብ ገዝኦም ክሕረዱ ካብ ዕቅን ንላዕሊ የሕዝን' ሌ\/ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ","content":"ንናይ ኢትዮጵያ ሓልታት ምክልኻል ኤታ ማዦር ሹም ጀነራል ሰዓረ መኮነንን ኣብ ጡረታ ዝነበሩ ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ንልዕሊ 42 ዓመታት ኣብ ቓልሲ ከምዝፈልጡዎም ዝተዛረቡ ኣብ ብረታዊ ቓልሲ ህውሓት መቓልስቶምን ሓለቕኦምን፣ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ድማ ኣዛዚኦም ዝነበሩ ናይ ቀደም ኤታ ማዦር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ሌቴናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ‘’ንምቁፅፃር ኣይክኣልንዶ ነይሩ ኢልካ ብዘጠራጥር መንገዲ ብዋርድይኦም ኣብ ገዝኦም ክሕረዱ ካብ ዕቅን ንላዕሊ የሕዝን፤ካብ ዕቅን ንላዕሊ ስምዒትካ ይትንክፍ’’ ኢሎም። ‘’ክንዲ እኒ ጀነራል ስዓረ፣ክንድ እኒ ጀነራል ገዛኢ ዝኾኑ ሰባት ብናይ ባዕሎም ዋርድያ፣ንኣኣቶም ክከላኸል ተባሂሉ ብዝተመደበ ዋርድያ ክጠፍኡ ኣይፅበን ነይረ’’ ዝበሉ ጀነራል ፃድቃን ኣስዒቦም ‘’ከምዚ ዓይነት ናይ ድሕንነት ክፍተት ክህሊ እዩ ኢለ ኣይግምትን ነይረ፣በቲ ቅድም ኢሉ ዝነበረኒ ልምድን ዝፈልጦን ክኸውን ዘይነበሮ እዚ ድማ ኣፍቲ ናይ ሃገር መከላኸሊ ሓለዋ ድሕንነት ዝምልከት ቀሊል ዘይኮነ ክፍተት ተፈጢሩ ከምዘሎን ክረአ ዘለዎ ከምዘለዎን እዩ ዝርኣየኒ’’ ኢሎም። ንኽልቲኦም ጀነራላት ካብ 1969 ዓ\/ም ኣብ ብረታዊ ቓልሲ ህዝባዊ ወያን ሓርነት ትግራይ\/ህውሓት\/ ከምዝፈልጡዎምን ሓቢሮም ከምዝሰርሑን ዝገለፁ ጀነራል ፃድቃን ‘’ጀነራል ሰዓረ ንሱ ዓወት ዘየመዝገበሉ ውግእ ነይሩ ኢልካ ምዝራብ ኣይክኣልን’’ክብሉ ገሊፆምዎም። ’’ስዓረ ቅድሚ ናብ ውግእ ምእታው ዘድልዮ ነገር ብምሉእ ኣዳሊዩ ፀላኢኡ ፈሊጡ ዓወት ከምዘምፅእ ተኣማሚኑ ዝኣቲ ኣዛዚ እዩ’’ ኢሎም ብምውሳኽ። ብዛዕባ ጀነራል ገዛኢ ክገልፁ ከለው ድማ ካብቶም ኣብቲ ወታደራዊ ሳይንስን ጥበብን ብመዳይ ሎጂስትኪ ኣስተዋፅኦ ዝገበሩ ብሓሳብ እውን ብጣዕሚ ዝበሰለ ሓሳብ ዝነበሮን መራሒ እዩ ነርዩ ኢሎም። ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/general-tsadkans-gebretensae-reflections-on-the-killings-of-the-two-generals\/4973252.html"} {"headline":"ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንቕትለት ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ መግለጺ ኣውጺኡ","content":"ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ትማሊ ብዝሰዓበ ቅትለት ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ዶክተር ኣምባቸው መኮንን፤ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ሰዓረ መኮንን፤ ኣማኻሪ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣዘዘ ዋሴን ጥሮተኛ መጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራ ዝተሰምዖ ስምባደን ሓዘንን ገሊጹ። እቲ ኤምባሲ ነዚ ዝጠቐሰ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ክኸውን እንከሎ፡ ቅትለት ናይዞም ሰበ ስልጣን ንቤተሰቦምን ንመቕርቦምን ጥራይ ዘይኮነ ንመላእ ሃገር ክሳራ ምዃኑ ኣገንዚቡ። ኣብ ልዕሊ’ዞም ሰበ-ስልጣን ዝተወስደ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ዘገልግልዎም ትካላት መንግስትን ብሓፈሻ ሃገርን ዝተወስደ መጥቃዕ'ቲዩ ክብል ድማ እቲ መግለጺ ጠቒሱ። በዚ ድማ መንግስቲ ኣመሪካ ኢትዮጵያ ንእተካይዶ ዘላ ብልጽግና ንምምጻእ፤ ምምስራት ሓቛፊ ፖለቲካ ከምኡ'ውን ምርግጋእ ንምፍጣር ንእትገብሮ ዘላ ቁጠባውን ፖለቲካውን ተሃድሶ ምድጋፍ ከምእትቕጽሎ ሓቢሩ። ነዚ ብጎነጽ ዝዕንቅፉ ወገናት ንረብሓ ኢትዮጵያ ዘጎናድቡ እዮም ዝበለ መግለጺ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ: ደገፍ ከምዘይረኽቡን ብትሪ ድማ ንኹንኖም ክብል ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያውያን ንመብጽዓ ሓድነቶምን ተሃድሶን ከዕዝዙ ከምዝግብኦም ብምጥቃስ ብሓባር ነዚ መጥቃዕቲ ክኹንኑ ጸዊዑ። ኣብ መወዳእታ መግለጺ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ: ኣመሪካ ንትካላውን ሰብኣውን ዓቕሚ ኣብ ምህናጽ ወፍሪ ከምተካይድ ብምሕባር: ምስ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብምትሕብባር ንዕቤት ሓድነትን ምርግጋእን መጻኢ እታ ሃገር ከምእትሰርሕ ኣፍሊጡ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%95%E1%89%95%E1%89%B5%E1%88%88%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%AA%E1%89%B1-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%8C%BA%E1%8A%A1\/4970467.html"} {"headline":"ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ንካልኣይ ጊዜ ኣብ ሱዳን ይበጽሕ","content":"ብሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን አማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረአብ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ኣቦመንበር መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ኣብ ካርቱም ተራኺቦም፡ ተዘራሪቦም። እቲ ልኡኽ ካብ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተላእከ መልእኽቲ ንሰበ ስልጣን ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ምርኻቡ ሚንስትር ሓበሬታ ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሮም። ኣብቲ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኤርትራ ኣብ ጎኒ ህዝብን፡ ፖለቲካዊ ሓይልታትን መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ደው ከምትብል ሓቢሩ’ሎ። ጀነራል ዓብደልፈታሕ ቡርሃን ብወገኑ ኤርትራ ትጻወቶ ዘላ ሃናጺ ተራ ብምምስጋን ምስ ኤርትራ ጥቡቕ ዝምድና ንምምስራት ዘለዎ ድልውነት ገሊጹ’ሎ። ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ምክትል ኣቦ መንበር ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ሓላፊ ፖለቲካዊ ኮሚተ ሱዳን ተራኺቡ ምዝርራቡ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8B%E1%8B%AD-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8B%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B5\/4971881.html"} {"headline":"መዓልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ ኣብ ከተማታት መቐለን ሓውዜንን ተዘኺሩ ውዒሉ","content":"15 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ ኣብ ከተማታት መቐለን ሓውዜንን ብዝተፈላለዩ ስነ ስርዓት ቅድሚ ትማሊ ቀዳም ተዘኺሩ ውዒሉ። ምኽትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ\/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሓዊሱ ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ክልል ስድራ ስውኣትን ጉዱኣት ኲናትን ኣብ እግሪ ሓውልቲ ሰማእታት ዕታር ዕምበባ ኣንቢሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%88%B0%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88%E1%8A%95-%E1%88%93%E1%8B%8D%E1%8B%9C%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%8A%BA%E1%88%A9-%E1%8B%8D%E1%8B%92%E1%88%89\/4971822.html"} {"headline":"መግለጺ ዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃ ኣብ ጉዳይ ቅትለት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ","content":"ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረስ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቐዳመ ሰንበት ዘጋጠመ ፍጻመ ከምዝተሓሳሰቦም ገሊጾም። ንቕትለት ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ፡ ሓላፊ ስታፍ ሚኒስትሪ ምክልካል ኢትዮጵያን ካልኦት ክልተ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ብምኹናን “ኩሎም ኢትዮጵያዊያን አካላት ካብ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክቑጠቡን ጎነጽ ክከላከሉ ከምኡ’ውን ንሰላምን ምርግጋእን ኢትዮጵያ ዘዳኽም ስጉምቲ ከወግዱ” ጸዊዖም። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያን መንግስቲን ንኣቐነባበርቲ’ቲ ፍጻመ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ዘካይድዎ ጻዕርታት ከምዝድግፉ ገሊጾም ኣለው። ብተወሳኺ ሕቡራት ሃገራት መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ዘጋጠመ ብድሆታት ንምግጣም ኣብ ዘካይዶ ጻዕርታት ኩሉ ከምዝደጋገፍ ኣፍሊጦም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%8A-%E1%88%95%E1%89%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%89%85%E1%89%B5%E1%88%88%E1%89%B5-%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/4971622.html"} {"headline":"ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ተቐቲሎም","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝተኻየደ ፈተነ መፈንቅለ መንግስቲ መሪሖም ዝተባህሉ ጀነራል ኣሳምነው ፅጌ ዘንዘሊማ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ብሓይልታት ፀጥታ ሎሚ ሶኑይ ተቐቲሎም። ብካልእ ወገን ኣብ ናይ ቀዳም ፈተነ መፈንቅለ መንግስቲ ቆሲሎም ዝነበሩ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ናይቲ ክልል ኣቶ ምግባሩ ከበደ ህይወቶም ከምዝሓለፈ መራኸቢ ማዕኸናት ዜና መንግስቲ ፀብፂበን። ኣብ ባህር ዳር ይካየድ ናብ ዝነበረ ኣኼባ ጥሒሶም ዝኣተው ዕጡቓት ቶኺስ ከፊቶም ንፕረዚደንት’ቲ ክልል ዶ\/ር ኣምባቸውን ኣማኻሪኦም ዝነበሩ ኣቶ ኣዘዘ ዋሴን ቀቲሎምዎም።ናይቲ ክልል ሓላፊ ፀጥታ ጀነራል ኣሳምነው ፅጌ ድማ መራሒ’ቲ ፈተነ መፈንቅለ መንግስቲ ምንባሮም መራኸቢ ብዙሃን መንግስቲ ይገልጻ ኣለዋ። ድሕሪ እዚ ፍጻመ ድሕሪ ቁሩብ ስዓታት ሓላፊ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበሩ ጀነራል ስዓረ መኮነንን ኣብ ጡረታ ዝነበሩ ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ኣብ መንበሪ ገዛ ጀነራል ስዓረ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሓላዊኦም ተቐቲሎም።ክልቲኦም መጥቓዕትታት ርክብ ከምዘለዎም ሰበስልጣን ገሊፆም ኣለው። ይኹንን ደአ እምበር ምኽንያት ናይቶም መጥቓዕትታት ንፁር ኣይኮነን፤ተንተንቲ ግን ሚልሻ ንምጥያስ ብዝገበሩዎ ፃዕሪ ካብ ሓላፍነቶም ንምልዓል ተሓሲቡ ከምዝነበረ ይገልጹ።ጀነራል ኣሳምነው ኣብ 2009 ብፈተነ መፈንቅለ መንግስቲ ንትሸዓተ ዓመታት ተኣሲሮም ድሕሪ ምፅናሕ ዝሓለፈ ዓመት ብምሕረት ምፍትሖም ይፍለጥ። ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ በቶም መጥቓዕቲታት ምስንባዱን ዝተሰምዖ ሓዘንን ገሊፁ’ሎ።ኣብ ልዕሊ እቶም ሰባት ዝተፈፀሙ መጥቓዕትታት የግልግሉዎ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ትካላትን ሃገሮምን ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ እዩ ክብል’ውን መግለጺ ሂቡ’ሎ።እቲ ትማሊ ሰንበት ዝወጸ መግለፂ “ኢትዮጵያ ተካይዶ ዘላ ፖለቲካዊን ቁጠባውን ለውጥታት መንገዲ ብልፅግና፣ፖለቲካዊ ሓቋፊነትን ምርግጋእን ኢትዮጵያ ስለዝኾነ ኣሜሪካ ድጋፋ ክትቕፅለሉ እያ” ይብል ። ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ እውን ብወሃቢ ቃሎም ኣቢሎም ኣብዝሃብዎ መግለፂ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ኣውጊዞምዎ ኣለው። መንግስቲ ኤርትራ ንዝተፈፀመ ቕትለት ንመንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ መግለፂ ሓዘን ምልኣኹ ሚንስትር ሓበሬታ ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብናይ ትዊተር መልእኽቶም ሓቢሮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B0-%E1%8D%88%E1%89%B0%E1%8A%90-%E1%8B%95%E1%88%8D%E1%8B%8B-%E1%8A%A3%E1%89%90%E1%8A%90%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%89-%E1%8C%80%E1%8A%90%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%B3%E1%88%9D%E1%8A%90%E1%8B%8D-%E1%8C%BD%E1%8C%8C-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4971365.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ዕልዋ ተፈቲኑ፣ ኤታማዦር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ሰዓረ መኮንንን ካልእትን ተቐንጺሎም","content":"ኤታማዦር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያን ካልኦት ሰለስተ ሰበ ስልጣንን ኣብ እዋን ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ብወትሃደራዊ ጀነራል ኣብ ክልል ኣምሓራ ከምዝተቐንጸሉ ቴለቭዥን'ታ ሃገር ኣፍሊጣ። ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ዶ\/ር ኣምባቸው መኮንን ኣማኻሪኡን ኣብ ባህርዳር ከምዝተቐንጸሉ'ውን ክልላዊ ሚድያ ገሊጻ'ላ። እቲ ዕልዋ ብሓላፊ ቢሮ ጸጥታ ክልል ኣምሓራ ዝኾነ ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ዝተመርሐ ከምዝነበረ'ውን እቲ ዜና ይሕብር። መንግስቲ ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ፣ ንመንቀሊ ዘርኣዊ ህውከት ኮይና ዝጸንሐት ክልላ ኣምሓራ ሓዊሱ፣ ብድሆ ኣጓኒፍዎ ኣሎ። እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተኸሰተ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመ ፌደራላዊ ሰበ ስልጣን ምስ ቀ\/ሚ ኣብዪ ምስ ዝውግኑ ፕረዚደንት'ቲ ክልል ተራኺቦም ጀነራል ኣሳምነው ብቅሉዕ ምልሻታት ዝዕልምሉ ኩነታት ንምቁጽጻር ዝካኣለሉ ኣገባብ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ምኳኑ ትካል ሮይተርስ ገሊጻ ኣላ። ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ቅድሚ ሰሙን ኣብ ዝተፈነወ ቪድዮ 'ህዝቢ ኣምሓራ ንክዕጠቕ ጻውዒት ኣቕሪቡ' ከምነበረ'ውን እቲ ዜና ይሕብር። ትማሊ ሰንበት ወትሃደራዊ ዩኒፎርም ለቢሶም ብቴለቭዥን ዝቀረቡ ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ 'ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ኣምሓራ ዕልዋ መንግስቲ ከምዝተፈተነ፣ ኤታማዦር ሹም ሰዓረ መኮንን'ውን ሓደ ካብ'ቶም ግዳያት ኮይኑ ከምዘሎ' ጠቒሶም ኣለው። መንግስታዊ ሚድያ 'ጀነራል ሰዓረ መኮንን ብዋርድያኦም ከምዝተቐንጸሉ' ኣረጋጊጻ ኣላ። መብዛሕተኦም ፈጸምቲ'ቲ ቅትለትን ኣላዓዓልቱን ከምዝተታሓዙን'ውን ዝረኸብናዮ ዜና ገሊጹ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-political-crisis-seare-mekonen-ambachew-mekonen-assassinated\/4970255.html"} {"headline":"መጠንቐቕታ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ አዲስ አበባ","content":"ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ኣብ ዘውጽ መጠንቐቅታ ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ተኹሲ ከምዝተሰምዐን፥ አባላት'ቲ ኤምባሲ ኣብ ውሑስ ቦታ ክጸንሑን ኣጠንቒቁ'ሎ። መግለጺ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ አዲስ አበባ አባላቱ ኣብ ከተማ ባህርዳርን ከባቢኡን ካብ ምንቅስቃስ ክቑጠቡ፥ ኣብ ውሑስ ቦታ ክጸንሑ፥ ንከባቢኦም ከስተውዕሉ: ካብ ናይ ተቓውሞ ቦታታት ክርሕቑን ንመራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ክከታተሉን መኺሩ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B1-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8A%A8%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%B9-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8A%95%E1%89%90%E1%89%95%E1%89%B3-%E1%88%82%E1%89%A1\/4970157.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ፈተነ ዕልዋ ተኻይዱ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ምክያዱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ኣብ ክልላዊ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ መጥቓዕቲ ምፍጻሙ ሓላፊ ክፍሊ ፕረስ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም። ፈደራል ሓይልታት ጸጥታ ንከተማ ባህርዳር: ከባቢኡን ንፈተነ ዕልዋ መንግስቲን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታዎም’ውን ኣቶ ንጉሱ ገሊጾም ኣለው። ኣቶ ንጉሱ ወሲኾም ኣብቲ መጥቓዕቲ ኢድ ኣለዎም ኣብ ልዕሊ ዝተባህሉ ወገናት ስጉምቲ ክውሰድ መምርሒ ከምተዋህበ ብምሕባር ናይቲ ክልል ኮነ ናይታ ሃገር ህዝቢ ድሕነቱ ክህልው ጽውዒት ኣቕሪቦም ኣለው። ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ከተማ ባህርዳር ኣብታ ከተማ ድምጺ ተኹሲ ይስማዕ ከምዝነበረ ኣረጋጊትጻ’ላ። ኣቶ ንጉሱ ብዛዕባ መንነት “ዝተጠርነፉን ዝተዳለውን’ዮም” ንዝበልዎም ፈጸምቲ መጥቓዕቲን ዝርዝር ዘጋጥመ ጉድ ኣትን ግን ኣይሓበሩን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8D%88%E1%89%B0%E1%8A%93-%E1%8B%95%E1%88%8D%E1%8B%8B-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/4970155.html"} {"headline":"ኤርትራ ሃይማኖታዊ ትካላት ብናጽነት ክዓያ ክትፈቕድን መሰል ናጽነት ሃይማኖት ከተኽብርን ሕ\/ሃ ጸዊዑ","content":"ኤርትራ ሃይማኖታዊ ትካላት ብናጽነት ክዓያ ክትፈቕድን መሰል ናጽነት ሃይማኖት ከተኽብርን ናይ ሕቡራት ሃገራት ፍልይቲ ራፖርተር ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ጸዊዔን። ፍልይቲ ራፖርተር ዳንኤላ ክራቨተዝ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብቀረባ ዝተራእየ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝተኻየደ ቅየዳ ትካላትን ማእሰርቲ አባላት ኦርቶዶክሲያዊት ቤተክርስትያን ጉባኤታት ክርስትያንን ከቢድ ሻቕሎተን ገሊጸን ኣለዋ። እዚ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ዝተራእየ ምቅያድ ትካላት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ማእሰርቲ አባላት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያንን ጉባኤታትን ዘርእዮ ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን እንተተመሓየሸ’ዃ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራን ግን ከምዘይተቐየረ’ዩ ክብላ ፍልይቲ ራፖርተር ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣብ ሕ\/ሃ ዳንኤላ ክራቨተዝ ገሊጸን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ምሉእ ትሕዝቶ መግለጺ ራፖርተር ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኣብዚ ምንባብ ይክኣል። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%83%E1%8B%AD%E1%88%9B%E1%8A%96%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8A%93%E1%8C%BD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8B%93%E1%8B%AB-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%8D%88%E1%89%95%E1%8B%B5%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8D-%E1%8A%93%E1%8C%BD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8B%AD%E1%88%9B%E1%8A%96%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%8A%BD%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%91\/4968812.html"} {"headline":"ካብነ መንግስቲ ትግራይ ን2004 ተአረምቲ ሕጊ ብይቕሬት ክፍትሑ ወሲኑ","content":"ካቢነ መንግስቲ ትግራይ ብምክንያት መዓልቲ ሰማእታት 2004 ተአረምቲ ሕጊ ብይቕሬታ ክፍትሑ ከምዝወሰነ ካብኣቶም 13 ኤርትራውያን ምዃኖም ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ:: ካቢነ መንግስቲ ትግራይ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ተአረምቲ ሕጊ ኣብ መአረሚ ቦታ ኣብ ዝፀንሕሉ ግዜ ብዝፈፀምዎ ገበን ተጣዒሶም ህዝቢ ንምክሓስ ድልዋት ዝኾኑ ክፍትሑ ምውሳኑ ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ትግራይ ኣይተ ተኪኡ መተኩ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ተዛሪቦም:: 15 ሰነ 2011 ዓ.ም ተዘኪሩ ዝውዕል መበል 31 ዓመት መዓልቲ ሰማእታት ትግራይ ምኽንያት ብምግባር ብይቕሬታ ክፍትሑ ካብ ዝተወሰነሎም እሱራት እቶም ልዕሊ 83 ሚእታዊት ትሕቲ 35 ዓመት ዕድመ ዝርከቡ መናእሰይ ብምዃኖም ናይቶም መናእሰይ ዓቕሚ ድማ ንልምዓት ንምውዓል ኣብ ዝብል ግምት ብምእታው ዝተወሰነ ምዃኑ ኣቶ ተኪኡ መተኩ ገሊፆም:: No media source currently available በዚ ድማ 13 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 2004 እሱራት ብይቕሬታ ክፍትሑ ተወሲኑ ኢሎም:: እቶም ዝተፈትሑ ኤርትራውያን ብምንታይ ገበን ተኣሲሮም ዝነበሩ እዮም ዝብል ሕቶ ዝቐረበሎም ኣይተ ተኪኡ ኣብቲ ክልል ከምዝኾነ ገበነኛ ሕጊ ጥሒሶም ተኣሲሮም ዝነበሩ እዮም ክብሉ መሊሶም። ብምውሳኽ ዝተጀመረ ከይዲ ሰላም ንምሕያል ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ብይቕሬታ ክፍትሑ ከምተገበረ ተዛሪቦም:: ብተወሳኺ ውድብ ዓረና ትግራይ ኣባላቱ ብምኽንያት ፖለቲካ ተኣሲሮም ክሳብ ሐዚ ከምዘይተፈትሑ ይኸስስ እዩ’ሞ ኣብዚ ናይ ይቕሬታ ከይዲ ተኻቲቶም’ዶ ንዝብል \"ንሕና ገበን ሰሪሑ ዝተኣሰረ እምበር ብፖለቲካዊ ቅዋሙ ዝተኣሰረ የብልናን:: ኣብቲ ከይዲ ይቕሬታ እውን ፖለቲካ ዘይኮነስ ተአራሚ ኣብ መአረሚ ዝጸንሓሉ ጊዜ ዘርኣዮ ለውጢ ኢና ርኢና” ኢሎም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A5%E1%8A%90-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%952004-%E1%89%B0%E1%8A%A0%E1%88%A8%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%89%A5%E1%8B%AD%E1%89%95%E1%88%AC%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%91-%E1%8B%88%E1%88%B2%E1%8A%91\/4968714.html"} {"headline":"20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ብዝተፈላለዩ ምድላውት ተዘኪሩ ውዒሉ","content":"20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ሎሚ ኣብ መላእ ሃገር ብዝተፈላለዩ መሰናድኦታት ተዘኪሩ።ኣብቲ ኣብ ኣስመራ መካነ መቓብር ሓርበኛታ ዝተኻየደ ናይ ዝኽሪ ስነ-ሰርዓት፡ፐረዚዳንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡መዓልቲ ሰማእታት፡ናጽነት ንምምጻእን ሉአላውንት ሃገር ንምውሓስን ህይወቶም ብምኽፋል ብግብሪ ንዘውረሱና ክብርታትን ባህልን መብጽዓና ነሐድሰሉ ኣጋጣሚ’ዩ ኢሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%8A%90-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%88%B0%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%8B%E1%8B%8D%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%8A%AA%E1%88%A9-%E1%8B%8D%E1%8B%92%E1%88%89\/4967322.html"} {"headline":"አዲስ አበባ: ኣብ ዝሓለፈ 9 ኣዋርሕ ብብረት ዝተሓገዘ ከቢድ ናይ ስርቂ ገበን ክካየድ ምጽንሑ ተገሊጹ","content":"ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብብረት ዝተሓገዘ ከቢድ ናይ ስርቂ ገበናት ክፍጸሙ ምጽሖም ናይ ኣዲስ ኣበባ ፖሊስ ኮሚሽን ኣረጋጊፁ።እቲ ገበን ምሉእ ብምሉእ ካብታ ከተማ ንምጥፋእ ዝተዋደደ ስራሕ ይሰርሕ ከምዘሎ እውን ተገሊፁ’ሎ። ኣብ ትሕቲ 24 ጉጅለታት ተወዲቦም ወራር ይፍፅሙ ዝነበሩ 129 ተኸሰስቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምስውዓሉ ይፍፀሙ ዝነበሩ ገበናት ምንካዮም ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኮማንደር ፋሲካ ፋንታ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ሓቢሮም። ሕጋዊ ታርጋ ዘይብለን፣ናይ ካልእ ከባቢ ታርጋ ዝለጠፋ፣ታርግአን ብዘይይርኣይን ዘይፍልጥን ሞተር ብሽክሌታ ዝካየድ ገበናት ደው ንምባል መምርሒ ከምዝወፀ’ውን ኮማንደር ፋሲካ ፋንታ ኣፍሊጦም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%88%88%E1%8D%88-9-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%89%A5%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%98-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%8C%BD%E1%8A%95%E1%88%91-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4966962.html"} {"headline":"ገለ ኣባላት መቐለ ሰብዓ እንደርታ ሎሚ’ውን ተኣሲሮም ይርከቡ","content":"ካብ መንጎ ትማሊ ዝተኣስሩ 200 ደገፍቲ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ትወዳደር ዘላ ጋንታ መቐለ ሰብዓ እንደርታ፣ ኣስታት ሰላሳ ሎሚ’ውን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ከምዝርከቡ ዝረኸብናዮ ዜና ሓቢሩ። ምንጭታት ድምጺ ኣሜሪካ ‘ትማሊ ሰሉስ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ኢትዮጵያ ቡናን መቐለ ሰብዓ እንደርታ ግጭት ከምዝነበረ’ ይገልጹ። ፖሊስ ፌደራል ንደገፍቲ ቡና ኣቐዲሙ፣ ደገፍቲ መቐለ ሰብዓ እንደርታ ካብ’ቲ ስታድየም ንክወጹ ከምዝገበረን ንግጭት ከምዝነከየን’ውን እቲ ዜና ይሕብር። እንተኾነ ብእግሮም ናብ ከባቢኦም ይጓዓዙ ዝነበሩ ደገፍቲ መቐለ ሰብዓ እንደርታ ኣብ ‘ሃያ-ሁለት ማዞርያ’ ምስ በጽሑ ምስ ፖሊስ ተሰሓሒቦም ኣስታት 200 ካብ’ቶም ደገፍቲ ከምዝተኣሰሩ’ ሓላፊት ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን ክልል ትግራይ ወ\/ሮ ገነት ኣረፈ ኣረጋጊጸን ኣለዋ። ንሰን ወሲኸን ‘ምስ ዝምልከቶም ሰበ ስልጣን ድሕሪ ዝተገብረ ምዝርራብ መብዛሕተኦም ትማሊ ምሸት ከምዝተፈትሑን፣ ሰላሳ ሰባት ሎሚ’ውን ተታሒዞም ኣለው’ ኢለን። ካብ ሞንጎ ደገፍቲ ጋንታ መቐለ ሰብዓ እንደርታ ሓደ ኣቶ ኣታኽልቲ ኃይለስላሴ ንወኪልና ግርማቸው ከበደ ከምዝገለጾ ‘እቶም ደገፍቲ ኣብ ጎደና ‘ፑሽ ኣፕ’ ብምስራሕ ኣብ ልዕሊ ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ኣላጊጽኩም፣ ‘ኣነ ወያነ’የ’ ‘ኣነ ጌታቸው ኣሰፋ’የ’ ኢልኩም ጨሪሕኩም ተባሂሎም’ዮም ተኣሲሮም’ ከምዝበሎ ዝረኸብናዮ ዜና ይሕብር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%88%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8B%93-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%89%B3-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8A%A3%E1%88%B2%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8B%AD%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1\/4965849.html"} {"headline":"ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ዝምድና ሓደ ዓመት ዘትዩ","content":"ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዖስማን ሳልሕን፡ ፕረዚደንታዊ ኣማኻሪ ኣቶ የማነ ገብረኣብን፡ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ተራኺቦም፡ ከምዝተመያየጡ ካብ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ዝተረኽቡ ጸብጻባት ሓቢሮም። እቶም ኤርትራውያን ልኡኻት ኣብ`ቲ እዋን ርክብ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት ሞት ኣቦ ቀ\/ሚ ኣቢይ ዝተሰምዖ ሓዘን ዝገለጸሉ መልእኽቲ ኣብጺሖም። ኣብ`ቲ ዘተኦም፡ ክልቲኤን ሃገራት ናይ ሓደ ዓመት ናይ ሰላም ጉዕዝአን ብምርኣይ ነቲ ምሕዝነት ንምሕያል ክውሰዱ ብዛዕባ ዝግብኦም ስጉምትታት ተዘራሪቦም። ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ዱልዱል ምሕዝነት ንምዝካር ድማ፡ ዶ\/ር ኣቢይን እቶም ሰበ-ስልጣን ኤርትራን ኣብ ቀጽሪ ቤት-ጽሕፈት`ቶም ቀ\/ሚ፡ ፈልሲ ገረብ ተኺሎም። ብዝተሓሓዝ ዜና፡ ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ብምኽንያት`ቲ ጽባሕ ሓሙስ ዝዝከር 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ ህንጸት ሃገርን ዕቃቤኡን ብኽብሪ ሰማእታት`ዩ ዝደምቕ ድሕሪ ምባል፡ ናይ ትማሊ ስዉኣትኩም ምኽባርኩም ግቡእን ረዚንን`ዩ ኢሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%8A%93-%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%89%B5%E1%8B%A9\/4965754.html"} {"headline":"'ንትካላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝምልከት መስርሕ ምርኽኻብ`ምበር ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ኣይተወስደን' ሚኒ\/ጥዕና ኤርትራ","content":"ብ12 ሰነ 2019 ቤ\/ጽ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ኣብ ትሕቲኣ ዝጸንሓ ክሊኒካትን ትካላት ጥዕናን ብመንግስቲ ኤርትራ(ሚኒ\/ጥዕና) ከምዝተዓጸዋ፡ንብረተን`ውን ከም ዝተሃገረን ኣብ ውሽጠን ዝነበሩ ሕሙማት ክወጽኡ ከምዝገበረን ዝገልጽ ዝዘርግሖ ጥርዓን፡ ሚኒ\/ጥዕና ኤርትራ “ዝተዓጸወ ትካል ጥዕና ይኹን ዝተሃገረ ንብረትን የለን” ክብል ምላሽ ሂቡሎ። ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ዋሺንግተን ኣብ ባይታ ምስ ዘለዉ ጭቡጣት ምንጭታት ብዝገብሮ ርክብ ግን፡ እተን ብቤተክርስትያን ካቶሊክ ኤርትራ ዝመሓደራ ማእከላት ጥዕና መብዛሕቲኤን ተዓጽየን ካብ ስራሕ ወጻኢ ጠጠው ኢለን ከምዘለዋ`ዩ ተሓቢሩ። ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ናይተን ትካላት ዝተገብረ ምፍርራሕን ጎነጽን የለን ፡ እቶም ሕሙማት`ውን ናብ ካልእ ትካል ትዕና`ዮም ተሰጋጊሮም ክብል ዳይረክተር ህዝባዊ ርክባት ሚኒ\/ጥዕና ኣቶ ታጀዲን ዓብደልዓዚዝ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ። ሚኒ\/ጥዕና ብመሰረት ኣዋጅ 73\/1995 ዝድንግጎ ፡ መስርሕ ምርኽኻብ ምሕደራ`ምበር ዝኾነ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ከም ዘይተወስደ ኣቶ ታጀዲን ኣፍሊጡ`ሎ። ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ብርነ በርሀ ምስ ኣቶ ኣቶ ታጀዲን ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8A%AB%E1%89%B6%E1%88%8A%E1%8A%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%89%A4%E1%89%B0-%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%BD%E1%8A%BB%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%8C%BB%E1%8B%8D-%E1%88%B5%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%88%9A%E1%8A%92-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB\/4965596.html"} {"headline":"ዓቓቢ ሕጊ ኢጣልያ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ኣብ ቐይዲ ዝርከብ ኤርትራዊ 14 ዓመታት ማእሰርቲ ክፍረድ ይጽውዕ","content":"ዓቓቢ ሕጊ ኢጣልያ ብክሲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ካብ ሱዳን ናብ ኢጣልያ ንዝተወስደ ክሱስ ኤርትራዊ መድሃኔ ተስፋማርያ በርሃ ናይ 14 ዓመታት ማእሰርቲ ክፍረድ ጻውዒት ኣቕሪቡ'ሎ። ዓቓብ ሕጊ ነቲ ትክክለኛ ሰባት ኣብ ምስግጋር ዝነጥፍ ሰብ ኣይኮነን ኣብ ቐይዲ ዘሎ ዝብል ሞጎተ'ውን ነጺግዎ'ሎ። ጥርጡር መድሃኔ ይህደጎ መርዕድ ክኸውን ከሎ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ቐይዲ ዝርከብ ድማ መድሃኔ ተስፋማርያም በርሃ ዝተባህለ ኣብ ሱዳን ብስደት ዝነብር ዝነበረ መንእሰይ ምዃኑ ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ። ገለ በቲ ጥርጡር ካብ ሊብያ ናብ ኣውሮጳ ዝበጸሑ ስደተኛታት ስድራቤት ኣብ ቐይዲ ዘሎ ጥርጡር ከምዘይኾነ ምስክርነቶም እንተሃቡ'ዃ ዓቓቢ ሕጊ ኢጣልያ ኮሌሮ ፌረራን ክላውድዮ ካሚስሪን ግን እቲ ሓቐኛ ጥርጡር ኣብ ቐይዲ ዘሎ'ዩ ዝተጋገየ እቲ ቕድሚ ምእሳር ጥርጡር ዝወጸ ምስሊ'ዩ ክብሉ ይሕብሩ። ስለዝኾነ ድማ ክሱስ ናይ 14 ዓመታት ማእሰርቲ ወይ ድማ 56,180 ዶላር መቕጻዕቲ ክፍረድ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለው። ዓቓብ ሕጊ ተሓባበርቲ መርዕድ'ዮም ንዝበሎም ሰለስተ ሰባት ኣፎም ኢያሱ: ዓንደብርሃን ታረቐን ኦሮና ስዒድን ብተመሳሳሊ ናይ 10 ዓመታት ማእሰርቲ ወይ 40,000 ዩሮ ክቕጽዑ ጸዊዑ'ሎ። ጠበቓታት ክሱሳት ነቲ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ወርሒ ሓለ ከምዝዛዘም ቤት ፍርዲ'ውን ውሳነኡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ክህብ ትጽቢት ከምዘሎ ይገልጹ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%89%93%E1%89%A2-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8A%A2%E1%8C%A3%E1%88%8D%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%95%E1%8C%8B%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8C%8D%E1%8C%8B%E1%88%AD-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%90%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-14-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%88%A8%E1%8B%B5-%E1%8B%AD%E1%8C%BD%E1%8B%8D%E1%8B%95\/4965463.html"} {"headline":"ጠንቂ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌትሪክ ኢትዮጵያ ዋሕዲ ማይ ምዃኑ ተገሊጹ","content":"ሓንቲ ካብ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ምዕባለ ዘመዝግባ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኾነት ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤሌትሪክ ብፈረቓ ንተገልገልቲ ምዕዳል ጀሚራ'ላ። ኢትዮጵያ ንጎረባብቲ ሃገራት ጅቡቲን ሱዳንን ትሰዶ ዝነበረት ኣብ ዓመት 82 ሚልዮን ዶላር አታዊ ዝነበሮ ቀረብ ጸዓት'ውን ደው ምባላ ተፈሊጡ'ሎ። መንግስቲ ኣብ መመንጨዊ ጸዓት ግልገል ጊበ 3 ዘጋጠመ ዋሕዲ ማይ ንምጉዳይ ፍርያት ጸዓት ጠንቂ ምዃኑ ይገልጽ ኣሎ። ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ኮርፐረሽን ሓይሊ ኤሌትሪክ ዳይሬክተር ክፍሊ ኮሚኒኬሽን ኣቶ ሞገስ መኮነን \"ንሕና ኣብ ለውጢ ክሊማ ዓለም ዘለና ኣበርክቶ ውሑድ'ዩ ለውጢ ክሊማ ዓለም ኣባና ዘለዎ ጽልዋ ግን ዓብይ'ዩ ።እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም ካብዚ ወጻኢ ብካልእ መልክዕ ንርእየሉ ምክያት'ውን የለን: ስለዚ ፋይናሳዊ ጸገም እንተዘይገጢሙና ካብዚ ለውጢ ክሊማ ዓለም ዘስዓቦ ሽግር ንምፍታሕ ዝከአለና ኩሉ ክንገብር ኢና።\" እዚ አጋጢሙ ዘሎ ዋሕዲ ማይ ኣብ ፍርያት ጸዓት ብ467ሜጋ ዋት ክጎድል አገዲዱ'ዩ። እዚ ድማ ሓደ ሲሶ ካብቲ ነታ ሃገር ዘድልይ ቀረብ ሓይሊ ኤሌትሪክ'ዩ። ኣብ አዲስ አበባ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ስነ ቁጠባ ፕሮ. አለማየሁ ገዳ \"ዓብይ ካብ ማይ ዝፈርይ ጸዓት ናይ ምምንጫው ዓቅሚ ኣለና ዳርጋ 45, 000 ሜጋ ዋት ካብ ንፋስ ድማ 1.3 ሚልዮን ነዚ ክንጥቐመሉ ኣለና እዚ ምስ ዝኸውን ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኾነ ንኣፍሪቃ'ውን ዝኣክል ጸዓት ከነመንጭው ንኽእል።\"","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%A0%E1%8A%95%E1%89%82-%E1%88%9D%E1%89%81%E1%88%AB%E1%8C%BD-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%8A%A4%E1%88%8C%E1%89%B5%E1%88%AA%E1%8A%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%8B%E1%88%95%E1%8B%B2-%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%91-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4965334.html"} {"headline":"ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ከም ሓድሽ ክምስረት ኣምንስቲ ሓቲቱ","content":"ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ከም ሓድሽ ክምስረት ኣለዎ ክብል መግለጺ ኣውጺኡ። እቲ ኮሚሽን ብኣድልዎን ካብቶም ዝተለመዱ ናይ ኣዋድዳ ስርዓት ወጻኢ ዝንቀሳቀስ’ዩ ክብል ኣምንስቲ ወቂሱ እታ ሃገር ካብቲ ዝጸንሓ ጨቋኒ ኣሰራርሓ ክትናገፍ ዝተበደሉ ፍትሒ ክረኽቡ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ብዝሕግዝ መልክዕ ከም እንደገና ክምስረት ኣለዋ ኢሉ’ሎ። ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ከም ብሓድሽ ክምስረት ኣለዎ እዚ ኸአ አድላይ ምዃኑ እቲ ኮሚሽን ንዓመታት ክቀርቦም ዝነበረ ጸብጻበት መርትዖ’ዮም ኢሉ’ሎ። ኣቶ ፍሰሃ ተክለ ኣብ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ንጉዳያት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝኸታተሉ በዓል ሞያ’ዮም። “ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዓመታት ዘውጽእዎ ዝነበረ ጸብጻባት ንርእዮም ኔርና ኢና፡መብዛሕትኦም ጸብጻባት ንግህሰት መሰላት ሸፋፊንካ ምሕላፍ ዝተፈጸመ ምግሃሳት ከምዘየለ ናይ ምምሳል ነገር ኔርዎ’ዩ። ዘለና መርትዖ ድማ ብዙሓት ምግሃሳት ከምዝነበሩ ዘርእዩ’ዩ” ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A8%E1%88%9D-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%88%93%E1%89%B2%E1%89%B1\/4964249.html"} {"headline":"ሓሙሽተ መነኮሳት ደብረ-ቢዘን፡ ኣብ ከተማ ጊንዳዕ ብፖሊስ ተታሒዞም ከምዘለዉ፡ ይግለጽ ኣሎ","content":"ሓሙሽተ መነኮሳት ደብረ-ቢዘን፡ ኣብ ከተማ ጊንዳዕ ብፖሊስ ተታሒዞም ከምዘለዉ፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ምንጭታት ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ኤርትራ ሓቢሮም። ካብ`ቶም ሓሙሽተ መነኮሳት ነቶም ሰለስተ ብቐረባ ከም ዝፈልጥዎምን ነቲ ሓዲሽ ጉዳይ ማእሰርቲ ብቀረባ ይከታተልዎ ከምዘለዉን ዝገለጹ፡ ኣብ ከተማ ቻርለት ኖርዝ ኮረላይና ዝነብሩ ቆሞስ ደብረ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ኤርትራ፡ ቀሺ ሓለፎም ዓንድማርያም፡ እቶም ሓሙሽተ መንኮሳት፡ ካብ ደብረቢዘን ተጸዊዖም ናብ ጊንዳዕ ከምዝኸዱን፡ ብፖሊስ ተታሒዞም ኣበይ ከምዘለዉ`ኳ ከም ዘይፍለጥን ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም። ምኽንያት መእሰሪኦም፡ ነቲ ብኣቡነ-ሉቃስ ዝምራሕ ሓዲሽ ምምሕዳር ኦርቶዶክስ ኤርትራን፡ ንምትእትታው መንግስቲ ኣብ ጉዳያት ቤተክርስትያንን ብምቅዋሞም ክኸውን ከምዝኽእል`ውን ተዛሪቦም። ቀሺ ሓለፎም ዓንደማርያም ብምውሳኽ፡ ኣብ ልዕሊ ሳልሳይ ፓትሪያርክ ኤርትራ ኣቡነ ኣንጠንዮስ፡ ብመንግስቲ ተወሲዱ ዘሎ ናይ ማሕዩር ስጉምቲ ብዝኾነ መልክዒ ተቐባልነት ዘይብሉን ከቢድ ሳዕቤን ዝወልድን`ዩ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%88%99%E1%88%BD%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8A%90%E1%8A%AE%E1%88%B3%E1%89%B5-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%89%A2%E1%8B%98%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8C%8A%E1%8A%95%E1%8B%B3%E1%8B%95-%E1%89%A5%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%92%E1%8B%9E%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%89-%E1%8B%AD%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BD-%E1%8A%A3%E1%88%8E\/4964031.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ንገለ ብመንግስቲ ዝውነኑ ትካላት ናብ ውልቂ ንምስግጋር ትዳለው","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመንግስቲ ዝውነኑ ትካላት ናብ ናይ ውልቂ ዋንነት ንምስግጋር ይዳሎ’ሎ ክብል ሚንስትር ፋይናንስ’ታ ሃገር ኣፍሊጦም። ይኹን ደአ እምበር ነቲ ከም ክቡር ዕንቁ’ታ ሃገር ንዝረአ ትካላት ገለ ክፋላቱ ንምሻጥ ዘሎ ውጥን ግን ዝተሃናፈጸ ስምዒት ፈጢሩ’ሎ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵጳ ፈላማይ ዓለምለኸ በረርኡ ካብ ዝገብር 73 ዓመታት ኣቑጺሩ’ሎ። ሕጂ ግን ከም አካል’ቲ ውጥን ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ገለ መሻርኽቲ የናዲ’ሎ። ሚንስትር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ኣሕመድ ሸደ ብዛዕና’ዚ ከብርሁ ከለው “ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ጉዳያት ቁጠባ አዚና አቲና ኢና ኔርና። ንነባሪነት ዕብየት ከነጣጥህ ኣለና። ፈለማ 4 ትካላት ቴሌኮም ፡ ኣቭየሽን፡ጸዓትን ሎጀስቲክስን ናብ ውልቂ ዋንነት ከነሰጋር ኢና”ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%88%88-%E1%89%A5%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%8B%8D%E1%8A%90%E1%8A%91-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8B%8D%E1%88%8D%E1%89%82-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8C%8D%E1%8C%8B%E1%88%AD-%E1%89%B5%E1%8B%B3%E1%88%88%E1%8B%8D\/4962635.html"} {"headline":"ፕረ. ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ድሕሪ ካብ መዝነት ምውራዶም ንመጀመርያ ጊዜ ተራእዮም","content":"ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ካብ መዝነት ድሕሪ ምውራዶም ትማሊ ሰንበት ንመጀመርያ ጊዜ ናብ ቤት ጽሕፈት ዓቓቢ ሕጊ ክኸዱ ተራእዮም። ፕረዚደንት ኣልበሽር ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት መሪሕነት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ብወታሃደራዊ መሪሕነት’ታ ሃገር ካብ መዝነቶም ድሕሪ ምውራዶም ኣብ ማእሰርቲ ምጽንሖም ይፍለጥ። ሓደ በዓል ስልጣን ካብ ቤት ጽሕፈት ዓቓቢ ሕጊ’ታ ሃገር ፕረዚደንት ኣልበሽር ብብልሽውና፡ምጥፍፋእ ገንዘብን ምኽዕባት ናይ ወጻኢ ባጤራ ዝብሉ ዝቐረበሎም ኽስታት ንምርመራ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ምምጽኦም ገሊጹ። እቲ በዓል ስልጣን ወሲኹ እቲ ምርመራ ነቲ ኣብ መንበሪ ገዛ እቶም ፕረዚደንት ዝተረኽበ ብሚልዮናት ዝቑጸር ገንዘብ’ውን ዝሓውስ’ዩ። No media source currently available ወሃቢ ቃል ንቤት ጽሕፈት መራኸቢ ብዙሃን ወታሃደራዊ መሪሕነት ሱዳን ፕረዚደንት ነበር ኣልበሽር ንመጀመርያ ጊዜ ካብ ማእሰርቲ ከምዝወጹ ኣረጋጊጹ’ሎ። ብሰንኪ ናህሪ ዋጋታትን ቁጠባዊን ቀውሲን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝጀመረ ተቓውሞ ካብ መዝነቶም ዝወረዱ ኣልበሽር ተቓወምቲ ብምቕታልን ምእሳር’ውን ይኽሰሱ። ብተወሳኺ ኣብ ዳርፉር ኣብ 2000 ዓ.ም ንዝተፈጸመ ምጽናት ዓሌት ብዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ክድለዩ ጸኒሖም’ዮም፡ ይኹን ደአ እምበር ወታሃደራዊ መሪሕነት’ታ ሃገር ንፕረዚደንት ኣልበሽር ናብ ዘ ሄግ ዝመደበሩ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ኣሕሊፉ ከምዘይህብ ኣፍሊጡ’ሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ምክትል ሓላፊ መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ተቓወምቲ ዝጠልብዎ ኣብ ሓጋጊ አካል መሰጋገሪ መንግስቲ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ክህልው ዝብል ቕቡል ከምዘይኾነ ሓቢሮም። ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳያሎ ንደገፍቲ’ቲ ወታሃደራዊ መሪሕነት ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ብሲቪላዊ መሪሕነት ዝምራሕ ሓጋጊ አካል ቕቡል ዘይኾነ ብምርጫ ዝተመርጸ ብዘይምዃኑ’ዩ ኢሎም። እዚ ማለት ድማ ነቲ ኣቐዲሙ ኣብ መንጎ ወታሃደራዊ መሪሕነትን ተቓወምቲን ዝተበጽሓ ንሰለስተ ዓመታት ዝጸንሕ ግዝያዊ መንግስቲ ምምስራትን አባላት ካቢነ መራሕቲ ተቓወምቲ ሓጋጊ አካል ድማ ዝበዝሓ ሲቪል አባላት ክኾኑ ዝብል ስምምዕ ዝጥሕስ’ዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8B%91%E1%88%98%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%89%A0%E1%88%BD%E1%88%AD-%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%AB%E1%8B%B6%E1%88%9D-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%8C%80%E1%88%98%E1%88%AD%E1%8B%AB-%E1%8C%8A%E1%8B%9C-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%A5%E1%8B%AE%E1%88%9D\/4962301.html"} {"headline":"ኤርትራዊ ገዲም ተጻዋታይ ጋንታ ኤልፓ ቀይሕ ባሕሪ ተፈራ ገብረክርስቶስ ኣብ ጉዳይ ታሪኻዊ ዓወት ሃገራዊት ጋንታ ኣመሪካ ደቂ ኣንስትዮ","content":"ህቡብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ጋንታ ኤልፓ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረ ተፈራ ገብረክርስቶስ ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኣመሪካ ኣብ ግጥም ዋንጫ ዓለም ብገፊሕ ኣብ ልዕሊ መጋጥምታ ሃገራዊት ጋንታ ታይላንድ ክትዕወት ምኽኣላ ብዝኾነ መለክዒ ብቕዓት ትመጣጠና ጋንታ ኮይና ብዘይምቕራባ ምንባሩ ገሊጹ። እቲ ኣሰልጣኒ ሓንቲ ካብተን ኮኾብ ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂኣንስትዮ ኣመሪካ ንዝኾነት መጋን ሮፒኖ፤ ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ 14 ከምዘሰልጠና ዝገልጽ ተፈራ ገብረክርስቶስ፡ ብብቕዓታ ኣመና ከምዝተደነቐ ብምግላጽ: ይኹንምበር ኣብ ከምዚ ዝበለ ዝለዓለ መድረኽ ተሳቲፋ ኣብ ልዕሊ መጋጥምታ ታሪኽ ክትሰርሕ ትጽቢት ከምዘይነበሮ ሓቢሩ። ሙሉእ ትሕዝቶኡ ከምዚ ዝስዕብ ይቐርብ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8C%88%E1%8B%B2%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%BB%E1%8B%8B%E1%89%B3%E1%8B%AD-%E1%8C%8B%E1%8A%95%E1%89%B3-%E1%8A%A4%E1%88%8D%E1%8D%93-%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%88%95-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%AB-%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B6%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%89%B3%E1%88%AA%E1%8A%BB%E1%8B%8A-%E1%8B%93%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8C%8B%E1%8A%95%E1%89%B3-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8B%B0%E1%89%82-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AE\/4960191.html"} {"headline":"ኤርትራ ንቕሉዕ ደብዳበ ኣፍሪቃዊያን ጸሓፍቲን ተሓለቕቲ መሰላትን ምላሽ ሂባ","content":"መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ህቡባት ኣፍሪቃውያን ፀሓፍቲ ደረስቲን ተሓለቅቲ መሰላትን ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ስክፍተኦም ዝገለፅሉን ናብ ፕረዚደንት ኢሰያስ አፈወርቂ ዝፀሓፍዎን ቅሉዕ ደብዳብ ብመልክዕ ርእሰ ኣንቀፅ መልሲ ሂብሉ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምላሹ እቲ ደብዳበ ዝተጻሕፈሉ ጊዜ ኮነ እቶም ጸሓፍቲ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክራኸቡ ዝመረጸሉ መንገዲ ንዕላማን ሃቐናን’ቲ ናይቲ ደብዳብ ሕቶ ዘልዕል’ዩ ይብል። እቶም ህቡባትን ፀለውቲን ኣፍሪቃውያን ኣብቲ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ዝዘርግሕዎ ፕረዚደንት ኢስያስ ለውጢ ክገብሩ ዝጽውዕ ቕሉዕ ደብዳበ “ኣብዚ ኤርትራ ንስውኣታ እትዝክረሉ ረዚን ወርሒ ሰነ እቶም ኣፍሪቃውያን ነዚ ምፅሓፎም ግዚኡ ዘይሓለወ’ዩ” ክብል መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ ምላሽ ሂቡ'ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%8D%E1%8B%9C-%E1%8C%B8%E1%89%A0%E1%89%A3%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%8B%AD-%E1%8A%90%E1%88%AD%E1%8A%A9%E1%88%9D-%E1%8C%BD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%8B%98-%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%BD-%E1%88%82%E1%89%A3\/4959809.html"} {"headline":"“በሪ ማይዳ’’፡ኣብ ትግራይ ፈላማይ ፅጉማት ደቂ ኣንስትዮ ዝመሃራሉ ማእኸል ተመሪቑ","content":"ኮሎኔል ዘነቡ ኣሰመሀኝ ብዝተባህላ ውልቀ ሰብ ሓሳብ ተበጊሱ ዝተፈላለዩ ናይ ውሽጢ ዓዲ ሰብ ሃብትን ትካላትን ሓገዝ ዝተሃንጸ “በሪ ማይዳ’’ ዝተባህለ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሆስቴልን ማእኸል ትምህርትን ተመሪቑ:: ኮሎኔል ዘነቡ ከምዝገለፅኦ: 22 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ዝተገበረሉ እዚ ማእኸል መደቀሲ ክፍሊታት ተማሃሮ፣ መምሃራንን ካልኦት ኣገልግሎት ዝወሃብሉ 40 ክፍልታት ዝሓዘ በዓል ሓደ ደብሪ ህንፃ እዩ ተሰሪሑ ኢለን:: ናብቲ ማእኸል ዝኣትዋ ደቂ ኣንስትዮ ሓጋዚ ስድራ ዘይብለን: ትሑት ኣታዊ ዘለወን: ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ንምርካብ ድማ ካብ መንበሪ ገዘአን ርሑቕ መንገዲ ዝጉዓዛ ብትምህርተን ድማ ዝበለፃ ተማሃሮ እየን ተወዳዲረን ከምዝኣትዋ አረዲኣን:: ኮሎኔል ዘነቡ እቲ ማእኸል ኣብ ወረዳ ሰሓርቲ ሳምረ ክህነፅ ዝተመረፀ ኣብቲ ከባቢ ልዑል መጠን ድኽነት ብምህላዉ እዩ ኢለን። ኣብቲ ማእኸል ካብ ዝመሃራ ተማሃሪት 12 ክፍሊ ሓንቲ ሰላማዊት ብርሃነ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ንምርካብ ካብ ገዝኣ ንሰለስተ ሰዓታት ዝኣክል ጉዕዞ ትጉዓዝ ከምዝነበረት ዝገለፀት ኮይና እቲ ማእኸል ብዝፈጠረላ ዕድል ግና ኣብ ምቹእ ኩነታት ትምህርታ ትከታተል ከምዘላ ትዛረብ:: ኣብቲ ማእኸል ውላዶም ትመሃር ከምዘላ ዝገለፁ ኣቦ፡ ኣይተ ገብሩ ሓድጋይ ውላዶም ከምህሩ ዓቕሚ ስለዝሓፀሮም ትምህርታ ከተቋርጽ ሓሲቦም ምንባሮም ድሕሪ ምግላፅ እቲ ማእኸል ግና ዕድል ፈጢሩላ ብግቡእ ትምህርታ ትከታተል ኣላ ኢሎም:: ነቲ ማእኸል መሪቖም ዝኸፈቱ ምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል \"መሪቕና ንኸፍቶ ዘለና ህንፃ ዘይኮነስ ንዓዲ ዝጠቅም ዓብዪ ሓሳብ እዩ\" ኢሎም:: ናይ ህዝቢ ፀገማት ድማ ብናይ መንግስቲ ዓቕሚ ጥራሕ ዝፍታሕ ኣይኮነን እሞ ከምዚ ዓይነት ብዓቕሚ ውሽጢ ዓዲ ትካላት ዝስራሕ ኣብ ምቅላል ፀገማት ልዑል ግደ ኣለዎ ኢሎም:: “በሪ ማይዳ’’ ኣብ ትግራይ ፈላማይ ፅጉማት ደቂ ኣንስትዮ ዝመሃራሉ ማእኸል ኾይኑ ኣብዚ ሐዚ እዋን 160 ደቂ ኣንስትዮ ተቐቢሉ ካብ 9ይ ክሳብ 12 ክፍሊ የምህር ኣሎ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A0%E1%88%AA-%E1%88%9B%E1%8B%AD%E1%8B%B3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8D%85%E1%8C%89%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%8B%B0%E1%89%82-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AE-%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%88%83%E1%88%AB%E1%88%89-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%B8%E1%88%8D-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%AA%E1%89%91-\/4959740.html"} {"headline":"ኣብ ኤርትራ ትማሊ ዝጀመረ ናይ ሎሚ ዓመት ሃገራዊ መርመራ ሻሙናይ ክፍሊ፡ ጽባሕ ቀዳም ክዛዘም`ዩ","content":" ኣብ ኤርትራ ናይ ሎሚ ዓመት ሃገራዊ መርመራ ሻሙናይ ክፍሊ፡ ትማሊ 13 ሰነ ኣብ መላእ ሃገር ከምኡ’ውን ኣብ ሪያድን ጅዳን - ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝርከብ መፈተኒ ማእከላት ክወሃብ ከም ዝጀመረ መራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ሓቢረን ኣለዋ። እቲ ኣብ ማእከላት ተሃድሶ እውን ዝወሃብ ዘሎ ሃገራዊ ፈተና፡ ሓሙሽተ ዓይነታት ትምህርቲ - ማለት እንግሊዝ፡ ማሕበራዊ ትምህርቲ፡ ቊጽሪ፡ ሓፈሻዊ ስነ-ፍልጠትን ናይ ዜግነት ትምህርትን ከምጠቓልል ይጠቅስ። ኣብ’ዚ ክሳብ ጽባሕ ቀዳም15 ሰነ ዝቕጽል ፈተና፡ ብደረጃ ሃገር 49.6 ሚእታዊት ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም ኣስታት 54 ሽሕ ተማሃሮ፡ ኣብ 407 ማእከላት ይፍተኑ ከምዘለዉ፡ ካብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ። ኣብ ዞባ ማእከል ጥራሕ፡ ልዕሊ 14 ሽሕ ተማሃሮ ይፍተኑ ከምዘለዉን፡ ልዕሊ ፍርቂ፡ ማለት 53 ሚእታዊት ደቂ-ኣንስትዮ ምዃነን ተሓቢሩ`ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%B5%E1%88%9B%E1%88%8A-%E1%8B%9D%E1%8C%80%E1%88%98%E1%88%A8-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%88%BB%E1%88%99%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%88%8A-%E1%8C%BD%E1%89%A3%E1%88%95-%E1%89%80%E1%8B%B3%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%8B%9B%E1%8B%98%E1%88%9D-%E1%8B%A9\/4959676.html"} {"headline":"ቲቦር ናጅ ምስ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዘትዩ","content":"ምኽትል ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ቲቦር ናጅ፡ ምስ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ገዱ እንዳርጋቸው ኣብ አዲስ አበባ ተራኺቦም ኣብ ዙርያ እዋናዊ ኩነታት ሱዳን ዘትዮም። ካብ ካርቱም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘምርሐ ቲቦር ናዥ ካርቱም ኣብ ዝተዓዘቦ ጉዳይ ብዝምልከት ንኣቶ ገዱ እንዳርጋቸው ኣብሪሁ። ፍሉያት ልኡኻት ሕብረት ኣፍሪቃን ፍሉያት ልኡኻት ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድን፡ ንክልቲኦም ወገናት ሱዳን ንምቅርራብ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ኣሜሪካ ከም እትድግፍ`ውን እቲ ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት ንጉዳያት ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ`ሎ። ኣሜሪካ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደራ ዝነበረ ዶናልድ ቡዝ፡ ኣብ ሱዳን ፍሉይ ልኡኽ ጌራ ምስያማ ብምግላጽ ድማ ዝተወሃሃደ ስራሕ ምስራሕ ከምዘድልይ ቲቦር ናጅ ኣዘኻኺሩ። ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ገዱ እንዳርጋቸው ብወገኑ፡ ሰላምን ምርግጋእን ሱዳን ምድጋፍ ማለት፡ ብኣጠቓላሊ ንናይቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋእን ዘለዎ ፋይዳ ልዑል ብምዃኑ፡ ናይ ቀረባ ምክትታልን ድጋፍን ዘድልዮ ምዃኑ ምግላጹ ካብ ፋና ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B2%E1%89%A6%E1%88%AD-%E1%8A%93%E1%8C%85-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%89%B5%E1%8B%A9\/4959311.html"} {"headline":"30 ዓለም-ለኸ ተሓለቅቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ናብ ሕ\/ሃ ደብዳቤ ጽሒፎም","content":"30 ዓለም-ለኸ ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ናብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ደብዳቤ ጽሒፎም። እቶም ዓለም-ለኻውያንን ኤርትራዊያንን ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብቲ ትማሊ 11 ሰነ ዝጸሓፈዎ ደብዳቤ፣ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕ\/ሃ ኣብ ዘካይዶ ስሩዕ ኣኼብኡ፣ ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ምቁጽጻርን መጽናዕትን ክካየድን ጸብጻባት ብስሩዕ ክቐርብን ክቕጽሎ ሓቲቶም’ለዉ። ድሕሪ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ርክብ፣ ይኹን ኣብ መንጎ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ዝተኻየደ ስሉሳዊ ስምምዕ፣ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ገና ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣሎ ኢሎም። ብኻልእ ወገን ልዕሊ 100 ህቡባትን ፀለውትን ዝኾኑ ኣፍሪቃውያን ፀሓፍቲ ደረስትን ጋዜጠኛታትን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ከመሓይሹ ዝፅውዕ ቅሉዕ ደብዳበ ናብ ፕረዚደንት ኢሰያስ አፈወርቂ ፅሒፎም። ናብ ኤርትራ ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ኢሰያስ ተራ ዜጋታት ኤርትራ እሱራት ጋዜጠኛታትን ካልኦትን ክዘራረቡ ከምዝደልዩ ብምግላፅ መልሲ ፕረዚደንት ኢሰያስ ይፅበዩ ከም ዘለዉ’ቶም ተሰማዕነት ዘለዎም ኣፍሪቃውያን ኣብቲ ደብዳበኦም ገሊፆም’ለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%88%E1%89%85%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%B3%E1%89%A4-%E1%8C%BD%E1%88%92%E1%8D%8E%E1%88%9D\/4956635.html"} {"headline":"ኣብ መንጎ ተዳወብቲ ወረዳታት አማሮ ዝጸንሓ ግጭት ንምፍታሕ መስርሕ ዕርቐ ሰላም ተጀሚሩ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ወሰና ወሰን ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ጉጂን ክልል ደቡብ ወረዳ ኣማሮን ንሰለተ ዓመታት ዝጸንሐ ግጭትን መጥቓዕትን ንምፍታሕ ትማሊ ሰሉስ ዕርቀ-ሰላም ተኻየዱ። ዕጡቓት ሓይልታት ዝፍፅምዎ ኢሰብኣዊ መጥቓዕትታት ንምክልኻል ዘኽእል ስጉምቲ ይወስድ ከምዘሎ ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ጉጂ ኣቶ ኣበራ ጉኖ ገሊፆም። ኣማሓዳሪ ወረዳ ኣማሮ ኣቶ ተፈራ ባንዶራ ብወገኖም ንሰለስተ ዓመታት ተዓፅዩ ዝነበረ መንገዲ ኣገልግሎት ክህብ ንህዝቢ ክፉት ምዃኑ ብምግላፅ ሓይልታት ምክልኻልን ሓይልታት ፀጥታን ካብቲ ከባቢ ከምዘይልዓሉን ኣብ ክንድኡ ተወሳኺ ሓይሊ ንምእታው ነቲ ከባቢ ናይ ምፅራይ ስራሕ ብኽልቲአን ክልላዊ መንግስታት ክስራሕን እዩ ኢሎም። ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ካብ ክልቲኦም ወገናት ኣስታት 600 ስቪላት ከምዝተቐትሉን ብሚሊዮናት ዝግመት ሃብትን ንብረትን ምዕናውን ካብ ክልቲኦም ምምሕዳራት ዝተረኽበ ሓበሬታ ይገልፅ ይብል ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8E-%E1%89%B0%E1%8B%B3%E1%8B%88%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A0%E1%88%9B%E1%88%AE-%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%93-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%88%95-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%8B%95%E1%88%AD%E1%89%90-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9\/4956582.html"} {"headline":"ቪኦኤ ምስ ኣቤል ጉዕሽን መለስ ንጉሰን (2ይ ክፋል)","content":"'ኣብ ምዝማን ግጥምታት ሰናይ ዝባሃሉ ተግባራት ይቀላቐሉ ከምዘለው' ክልቲኦም ኣጋይሽና ይጠቕሱ። እንተኾነ 'ያታዊ' ትሕዝቶ ዘለዎ ባህሊን ልምድን ኣብ ትግራይን ኤርትራን ንሙሉእ ናህሪን ዕብየትን ግጥሚ ከይደረቶ ኣይተረፈን ይብሉ ኣቤልን መለስን። ካብኡ ዝሰገረ 'ኣብ ኣመራርጻ መድረኽ ገለ ክስተኻኸሉ ዝግባኦም ኣሰራርሓታት ክህልው ከምዝኽእሉ' ገጣሚን ጋዜጠናን ኣቤል ጉዕሽ ይገልጽ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/abel-guesh-meles-nguse\/4956532.html"} {"headline":"ፍርቂ ሰዓት ድሕሪ ምሕራሳ ሃገራዊ ፈተና ዝተፈተነት ኣደ","content":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ኢሉ አባቡራ ነባሪት ከተማ መቱ ዝኾነ ጓል 21 ዓመት ኣልማዝ ደረስ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ዝነበረ ናይ ዓስራይ ክፍሊ ሃገራዊ መዛዘሚ ፈተና ክትወስድ ክልተ ስዓታት ምስ ተረፋ ብሕማም ሕርሲ ተታሒዛ ሆስፒታል ኣትያ:ወዲ ድማ ተገላጊላ። ኣልማዝ ብስዓት ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ ናብ ሶኑይ ዘውግሐ ንጉሆ ስዓት 11 ሕማም ሕርሲ ሒዝዋ መቱ ከተማ ናብ ዝርከብ ካርል ሆስፒታል ኣትያ ፈተና ክካየድ 30 ደቓይቕ ምስተረፎ ንጉሆ ሶኑይ ስዓት ክልተ ከምዝወለደት ትዛረብ። ኣልማዝ ኣብ ሕርሲ ኮይነ ብዛዕባ ፈተና ይሓስብ ስለዝነበርኩ ሕማም ሕርሲ ከመይ ከምዝነበረ እውን ብዙሕ ኣይተሰመዐንን ትብል ። “ብዛዕባ ፈተና እሓስብ ስለዝነበርኩ ጨኒቑኒ ነይሩ።ፈተና ከምልጠኒ እዩ ኢለ ተስፋ ኣብ ዝቖረፅኩሉ እዋን ፈተና ምውሳድ ትኽእሊ ኢኺ ኢሎምኒ፤ኣዚዩ ደስ ኢሉኒ።ስዓት ክልተ ወሊደ ስዓት 2፡30 ተፈቲነ።” በዓል ቤት ኣልማዝ ብመሰረት ዘቕርቦ ሕቶ ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ናይቲ ከባቢ ፈተና ክትፍተን ኩነታት ከምዘመዓራረዩላ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ አዲስ አበባ ሓቢራ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%88%B0%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%88%AB%E1%88%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8D%88%E1%89%B0%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%89%B0%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%B0\/4956512.html"} {"headline":"ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣሜሪካ ቲቦር ናዥ ናብ ሱዳን ክበጽሑ’ዮም","content":"ናይ ኣሜሪካ ምክትል ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ንጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ ናብ ሱዳን ከተማ ካርቱም ብምኻድ ምስ አባላት’ቲ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን መራሕቲ ተቓውሞን ንምርካብ ውጥን ከምዘለዎም ተገሊጹ። እቶም ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣሜሪካ ንጉዳያት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ዘይምርግጋእ መበገሲ ዝገበረ ዑደት ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ካርቱም ከካይዱ’ዮም ክብል ቤት ዕዮ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ መገልጺ ኣፍሊጡ’ሎ። ቲቦር ናዥ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ዝፍጸም መጥቓዕቲ ደው ክብል ክጽውዕ’የ ኢሎም። ንሶም ብተወሳኺ ኩሎም ወገናት ልዝብ ክቕጽሉ ዘኽእል ባይታ ንምፍጣር ክሰርሑ’ውን ክምዝምህጸኑ ሓቢሮም። ቲቦር ናዥ ናብ ምዛብቢክን ደቡብ ኣፍሪቃን ቅድሚ ምግዓዞም ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ብዛዕባ ኩነታት ሱዳን ከምዝዘራረቡ ተፈሊጡ’ሎ። ቲቦር ናዥ ኣብ ልዕሊ ተቓውሞ ሰልፈኛታት ዝተወስደ ብዓሰርተታት ዝተቐትሉ ወታሃደራዊ ስጉምቲ ኮኒኖም። ሱዳን ምስ ኣሜሪካ ዘለዋ ዝምድና ከተመሓይሽ እንተደልያ ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ክትምለስ ኣለዋ’ውን ኢሎም። መሻርኽቲ ኣሜሪካ ዝኾና ሰለስተ ሃገራት ዓረብ ግብጺ፡ስዑዲ ዓረብን ዓረብ ኢማራትን ግን ንወታሃደራዊ መሪሕነት ሱዳን ይድግፋ’የን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8B%E1%8B%AD-%E1%8B%B2%E1%8D%95%E1%88%8E%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%89%B2%E1%89%A6%E1%88%AD-%E1%8A%93%E1%8B%A5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%89%A0%E1%8C%BD%E1%88%91-%E1%8B%AE%E1%88%9D\/4954967.html"} {"headline":"ፍሉይ ዞባ ኦሮሞ፡ ጎንጺ ንምፍታሕ ብዘሎ ምንቅስቃስ ኣመራርሓ’ቲ ዞባን ፍሉጣት ሰባትን ይህደኑን ይእሰሩን ኣለው ክብል ምምሕዳር’ቲ ዞባ ይኸስስ","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ከባቢ ወሎ ተላዒሉ ዝነበረ ጎንጺ ኣብ ምፍታሕ ንሓደ ወገን ናይ ምድሓን ወፍሪ ይካየድ’ሎ ክብል ኣብቲ ክልል ምምሕዳር ፍሉይ ዞባ ኦሮሞ ኣማሪሩ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከብ ምምሕዳር ፍሉይ ዞባ ኦሮሞ ከምዝብሎ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ጎንጺ ንምፍታሕ ብዝብል ዘሎ ምንቅስቃስ ኣመራርሓ’ቲ ዞባን ፍሉጣት ሰባትን ይህደኑን ይእሰሩን ኣለው ይብል። ናይቲ ዞባ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኦዴፓ አቶ አሚ ሙኔ ብወገኖም ነቲ ጎንጺ ዝምርምር ኮሚቴ ካብ ፈደራልን ክልልን’ቲ ዞባን ከምዝተመስረተ ገሊጾም ተጠርጠርቲ ከምዝተአሰሩን ግን ዝፈልጥዎ ነገር ከምዘየለ ገሊጾም። ቤት ጽሕፈት ጸጥታን ምምሕዳርን ክልል ኣምሓራ እቲ መረረት ብምንጻግ ልዕልና ሕጊ ክኽበር ስራሕ ይስራሕ ኣሎ፡ ተጠርጠርቲ’ውን ብመንነቶም ኣይኮኑን ዝተሓዙ ዘለው ኢሉ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%8D%E1%88%89%E1%8B%AD-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9E-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8C%BA-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%88%95-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%B5%E1%89%83%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%AD%E1%88%93-%E1%89%B2-%E1%8B%9E%E1%89%A3%E1%8A%95-%E1%8D%8D%E1%88%89%E1%8C%A3%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%88%85%E1%8B%B0%E1%8A%91%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%88%A9%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%89%B2-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%8B%AD%E1%8A%B8%E1%88%B5%E1%88%B5\/4954956.html"} {"headline":"ዋዕላ መንእሰያት ምብራቕ ኣብ ኣስመራ ተኸፊቱ","content":"ብኮሚሽን ጸጥታን ሰላምን ሕብረት ኣፍሪቃን መሻርክቱን ዝተወደበ፣ካብ 11 ሃገራት ምብራቅ ኣፍሪቃ ዝተወከሉ መንእሰያት ዝተሳተፍዎ ናይ ሰላምን ጸጥታን ዋዕላ ሎሚ 10 ሰነ 2019 ኣብ ሆቴል ኣስመራ ፓላስ ተኸፊቱ። ቀንዲ ዕላማ ናይ'ዚ ዋዕላ ተራን ኣበርክቶን መንእሰያት ኣብ ምውሓስ ሰላምን ጸጥታን ሃገሮም ከባቢኦምን ንምምይያጥ ከምዝኮነ ኣባል ናይቲ ኮሚሽንን ኣወሃሃዲት ናይቲ ዋዕላን መንእሰይ ኦሪት ኢብራሂም ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪባ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8B%E1%8B%95%E1%88%8B-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%89%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%89%B0%E1%8A%A8%E1%8D%8A%E1%89%B1\/4953277.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ነበርቲ ከተማ ኣክሱም ዘተ አካይዶም","content":"ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ነበርቲ ከተማ ኣክሱም ዘተ ኣካይዶም:: እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሓደጋ ኣንፀላልይዎ ኣብ ዘሎ ሓወልቲ ኣክሱም እውን ዑደት ገይሮም:: ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ቅድሚ ቀትሪ ናብ ክልል ትግራይ ከተማ ኣክሱም ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ብምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣቀባብላ ተገይርሎም:: ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስቲን ክልል ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ከተማ ኣክሱም ዝተረኸቡ ኣብ ሓደጋ ዝርከብ ሓወልቲ ንምርኣይን ኣብቲ ጉዳይ ምስ ህዝቢ ንምዝታይ እዩ ኢለን:: ዶክተር ኣብይ እቲ ሓውልቲ ምስ ርኣዩ ምስ ወከልቲ ነበርቲ እታ ከተማ ኣብ ኩነታት ሓወልቲ ኣክሱምን ሃገራዊ እዋናዊ ጉዳይን ከምዝዘተዩ ወ\/ሮ ሊያ ካሳ ወሲኸን ገሊፀን:: ኣብ እዋን እቲ ዘተ እቶም ነበርቲ ቅርሲ ሃገር ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ዓለም ቅርሲ ዝኾነ ሓወልቲ ኣክሱም ንዘጋጠሞ ሓደጋ መንግስቲ መፍትሒ ከዳልው ሓቲቶም:: ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ እቲ ሓውልቲ ንምፅጋን ምስ መንግስቲ ጣልያን ይዘራረብ ከምዘሎን ኣብ ሓፂር እዋን መፍትሒ ከምዝግበረሉን ሓቢሮም:: ጉዳይ ሕፅረት ዝስተ ማይ እታ ከተማ እውን ካብ ዝተልዓለ ሕቶታት ሓደ እዩ:: ኣብ ከተማ ኣክሱም ሕፅረት ዝስተ ማይ ከምዘሎ ሓበሬታ የብለይን ዝበሉ ዶክተር ኣብይ እቲ ፀገም መንግስቲ ክልል ብዋናነት ክፈትሖ እዩ ዝበሉ ኮይኖም መንግስቲ ፌዴራል ድማ ግድኡ ከበርክት እዩ ኢሎም:: ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸቡ ተሳተፍቲ ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝገለፅዎ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ዛዕባታት እውን ካብ ነበርቲ ሕቶታት ተላዒሎም ምንባሮም ሓቢሮም:: ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዝካየድ ምርጫ ጠሚቱ ምርጫ ክካየድ ብውልቀ ድልየት ኣለኩም’ዶ ንዝብል ዝቐረበሎም ሕቶ እቲ ምርጫ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ክካየድ ቅዋም ውድቦም ኢህወደግ ምኻኑ ዝገለፁ ዶክተር ኣብይ: ኮይኑ ግና እቲ ውሳነ ቦርድ ምርጫ ሓፈሻዊ ድልውነትን ዴሞክራሲያዊ ንምግባርን ዘለዎ ምድላዋት ብተወሳኺ ካልኦት ኣካላትን ዝውስንዎ ምኻኑ ገሊፆም:: ተወላዶ ትግራይ ብፉሉይ ይእሰሩ ኣለዉ ዝብል ሕቶ እውን መንግስቲ ገበን ፈፂሞም ኢሉ ዝጠርጠሮም እምበር ተወለድቲ ትግራይ ብፉሉይ ኣይኣሰረን ክብሉ መልሲ ሂቦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%A3%E1%8A%AD%E1%88%B1%E1%88%9D-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D\/4953243.html"} {"headline":"ማራቶን ኣስመራ 2019 ብዓወት ኤርትራዊ መሓሪ ጸጋይ ተዛዚሙ","content":"ማራቶን ኣስመራ 2019 ትማሊ ሰንበት ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ተኻይዱ።ኣብዚ ኣህጉራዊ መለክዒ ብዘማልአ ኣገባብ ዝተኻየደ ናይ ፈለማ ውድድር ማራቶን ደቂ ተባዕትዮ ኤርትራዊ ኣትለት መሓሪ ጸጋይ ቀዳማይ ኮይኑ ብምዕዋት 6 ሽሕ ዶላር ተሽሊሙ።ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ታደሰ ኣሰፋን ኤርትራዊ ፔትሮ ማሞን ድማ ካልኣይን ሳልሳይን ብምዃን ናይ 4 ሽሕን 2 ሽሕን ዶላር ተሽሊሞም። ኣትለት መሓሪ ጸጋይ ናይ ሃገራዊ ናይ ማራቶን ሰዓት ብ3 ደቒቕ ብምምሕያሽ’ዩ ውድድሩ ዛዚሙ በዚ ከኣ 2፡15፡14 ብምእታው ዝበለጸ ሰዓት ኣመዝጊቡ’ሎ። ኣብቲ ኤርትራውያን ኣትለታት ጥራይ ዝተሳተፍኦ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ፍርቂ ማራቶን ውድድር፡ ናዝሬት ወልዱ ቀዳመይቲ ኮይና ብምዕዋታ 40ሽሕ ናቕፋ ተሸሊማ።ኮኾብ ተስፋጋብር ካልኣይቲ ስምረት መርሃዊ ድማ ሳልሳይቲ ብምዃን ናይ 20ሽሕን 10ሽሕን ናቕፋ ተሸሊመን። ኣብዚ ውድድር ካብ ሃገራት ኬንያ፡ ኡጋንዳ፡ ታንዛንያ፡ ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝመጹ ተወዳደርቲ ምስታፎም ተፈሊጡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9B%E1%88%AB%E1%89%B6%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-2019-%E1%89%A5%E1%8B%93%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%93%E1%88%AA-%E1%8C%B8%E1%8C%8B%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%99\/4952880.html"} {"headline":"ቂሔ-ጽልሚ፡ ንዓባይ ፊልም `ንጣብ ዝኽሪ ዘመን` ትጥምት","content":"ልዕሊ ክልተ ሽሕ ሰብ ዝተሳተፋ ዓባይ`ያ ፊልም`ያ፡ ንዳርጋ ዓመት ቀጺላ። ብተለቪዥን ኤርትራ ንምሉእ ዓመት ትዝርጋሕ ኔራ። ደራሲኣ ፍትዊ ተኽለማርያም(ዲሰሎ) ቅድሚ`ውን ከም በዓል ኣንበልብሊ፡ ጽንዓት ፡ ሕድሪ ዝበላ ዓበይቲ ፊልምታት ዝዘርግሐን ዝኣለየን`ዩ። ምስ ደራሲ ፍትቂ ተኽለማርያም ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%82%E1%88%94-%E1%8C%BD%E1%88%8D%E1%88%9A-%E1%8A%95%E1%8B%93%E1%89%A3%E1%8B%AD-%E1%8D%8A%E1%88%8D%E1%88%9D-%E1%8A%95%E1%8C%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8B%98%E1%88%98%E1%8A%95-%E1%89%B5%E1%8C%A5%E1%88%9D%E1%89%B5\/4950475.html"} {"headline":"ግጭት ተምሃሮ ዩኒቨርስታት ደብረ ብርሃንን ወልዲያን","content":"ኣብ ዩኒቨርስታት ወልዲያን ደብረ ብርሃንን ብሰንኪ ዝተፈጥረ ግጭት ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ ጉድኣት ከምዝወረደን ብኣማእቲ ዝቑፀሩ ምዃኖም ዝገለፁ ድማ ንህይወትና ንሰግእ ኢና ብዝብል ካብተን ዩኒቨርስታት ወፂኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ኣትዮም ኣለው። ሰበስልጣን ናብተን ዩኒቨርስታት ተመሊሶም ክምሃሩ ንምተሃሮ ይመሕፀኑዎም ኣለው።እቶም ተምሃሮ ግን ድሕነትና ኣብ ስግኣት ወዲቑ’ሎ ናብተን ዩኒቨርስታት ኣይንምለስን ኢና ይብሉ ኣለው። ዩኒቨርስቲ ደብረ ብርሃን ዕግርግ ብምፍጣ ምምሃር ምስትምሃር ኣተኣጓጕሎም ኣብ ልዕሊ ዝተብሃሉ 58 ተምሃሮ ስጉምቲ ምውሳዱ ገሊፁ። ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/conflict-of-students-of-university-of-debre-berhan-and-university-of-weldia\/4950262.html"} {"headline":"ሕቡራት ሃገራት ኩነታት ኣብ መዳጎኒ ማእከል ሊብያ ዘለው ስደተኛታት ከምዘሻቐሎ ገሊጹ","content":"ወሃቢ ቃል ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ሰብኣዊ ጉዳያት ሩፐርት ኮልቪል ሎሚ ዓርቢ ኣብ ጀነቫ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት’ቲ ውድብ ዝሃብዎ መግለጺ ኩነታት እቶም ኣብ መዳጎኒ ማእከል ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ከምዘሻቀሎም ሓቢሮም። ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣስታት 3,400 ስደተኛታት ኣብ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ከተማ ትሪፖሊ ተታሒዞም ይርከቡ። ብተወሳኺ ብኣንጻር’ቲ ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ጎነጽን ዘይምርግጋእ ጸጥታ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዘድሓኖም ኣስታት 2.300 ሰባት ናብዞም መዳጎኒ ማእከላት ተወሲዶም እዮም። ወሃቢ ቃል ኮሚሽን ሰብኣዊ ጉዳያት ሕ\/ሃ ሩፐርት ኮልቪል ኣብ ቀረባ እዋን ኣባላት’ቲ ውድብ ኣብ ዚታን መዳጎኒ ማእከል ዝርከቡ 654 ስደተኛታት ምብጽሖም ገሊጾም፡ ኩነታት እቶም ስደተኛታት ኣብ ዝኸፈአ ደረጃ ከምዝርከብ ኣረዲኦም። No media source currently available “ መብዛሕትኦም ብጉድለት ዝተመጣጠነ መግቢ ዝተጠቕዑን ሕጽረት ዝስተ ማይ ዘለዎም ኣብ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ዝተጸቓቐጡ መዳጎኒ ማእከላት ይርከቡ\"ኢሎም። ኮልቪል ብተወሳኺ መብዛሕትኦም ካብቶም ስደተኛታት ኣብ መዓልቲ ሓንሳብ 200 ግራም ዝምዘን ፓስታ ጥራይ መግቢ ከምዝረኽቡ ገሊጾም። ካብቶም ኣብ ዚታን ዘለው ስደተኛታት 432 ኤርትራዊያን ክኾኑ ከለው 132 ድማ ህጻናት ምኳኖም እውን ሓቢሮም ኣለው። ብተመሳሳሊ 30 ካብቶም ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ብሕማም ቲቪ ዝሞቱ ክኾኑ ከለው 60 ካብኦም በዚ ሕማም ዝተጠቕዑ ኣብ ዝተፈለየ መዳጎኒ ግን ኸአ ኣብ ዝያዳ ዝኸፍአ ኩነታት ተታሒዞም ከምዘለው ምዕዛቦም ገሊጾም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95%E1%89%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%B3%E1%8C%8E%E1%8A%92-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8D-%E1%88%8A%E1%89%A5%E1%8B%AB-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%BB%E1%89%90%E1%88%8E-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4949937.html"} {"headline":"7.1 ሚልዮን ቅርሺ ንካብ ዝተፈላለያ ክልላት ኢትዮጵያ ዝተፈናቐሉ ተጋሩ ተወፊዩ","content":"ኣብ ስዑድ ዓረብያ ከተማ ጅዛን ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይን ተጋሩ ቤተ እሰራኤላዊያንን ንተመዛበልቲ ተጋሩ ልዕሊ 7.1 ሚልየን ብር ብሓገዝ ኣበርኪቶም። ነቲ ሓገዝ ንመንግስቲ ትግራይ ኣብ ዘረከብሉ እዋን ዝተረኸቡ ተወካሊ ተጋሩ ነበርቲ ከተማ ጅዛን ስዑድ ዓረብያ ኣይተ ኣብረሃም ወልደስላሰ ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ዉሽጢ 5 ኣዋርሕ ንተመዛበልቲ ተጋሩ ዝኸውን 6 ሚልየንን 724 ሽሕን ኣዋፂኦም ኢሎም። ኣብ ሃገረ እስራኤል ከተማ ቤርሻቤህ ዝርከቡ ቤተ እስራኤላውያን ተጋሩ ድማ 419 ሽሕ ብር ሓገዝ ለጊሶም:: ሓላፊት ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ትግራይ ወይዘሮ ኪሮስ ሓጎስ ነቲ ዝተገበረ ሓገዝ ኣመስጊነን: ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝርከቡ ተጋሩ ፀገም እቶም ተመዛበልቲ ንምፍታሕ ፃዕሪ ይገብሩ ኣለዉ ኢለን:: ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተመዛቢሎም ናብ ትግራይ ዝመፁ ተጋሩ ንምሕጋዝ ምንቅስቕስ ካብ ዝጅመር ዛጊድ 111 ሚሊዮን ብር ከምዝተኣከበ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ትግራይ ኣፍሊጡ:: ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ልዕሊ 115 ሽሕ ዝተመዛበሉ ተጋሩ ኣብ ትግራይ ይርከቡ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/tigrians-from-bete-israel-and-saudi-arabia-donate-millions-of-birr-to-displaced-people\/4949864.html"} {"headline":"መንግስቲ ኤርትራ፡ ንሕብረት ኣፍሪቃ ብኣተሓሕዛ ኩነታት ሱዳን ነቒፉ","content":"ኣብ ቅልውላው ሱዳን፡ ንግዳማዊ ምትእትታዋት፡ ዕድል ብምኽፋት ንሕብረት ኣፍሪቃ ዝኸስስ መንግስቲ ኤርትራ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝወስዶ ዘሎ መርገጽ፡ ንኩነታት ሱዳን ዘብእስ’ዩ ኢሉ`ሎ። ዝሓለፈ ሰሉስ ብሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ፡ ነቲ ብኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሞሳ ፋቂ ዝወጸ፡ ኣህጉራዊ መሻርኽቲ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ጸቕጢ ክገበሩ ዝጽውዕ መግለጺ ግብረ-መልሲ ንምሃብ`ዩ ዝመስል። ኮሚሽነር ሞሳ ፋቂ ኣብ`ቲ መግለጺኡ፡ ኩሎም ኣህጉራውያን መሻርኽቲ፡ ንቕጽበታዊ ምቁራጽ ጎንጽን፡ ህጹጽ ምቕጻል ፖለቲካዊ ልዝብን ዝተወሃሃደ ጻዕርታቶም ኣብ ልዕሊ ሱዳን ከዕርፉ ይጽውዕ። መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ምዕባለታት ሱዳን ዘርእዮ ዘሎ ተዋስኦ ንግዳማዊ ምትእትታዋት፡ ምስምስን ሽፋንን ምዃን`ዩ ድሕሪ ምባል፡“ንኩነታት ሱዳን ኣጋፊሕኩም ካብ ምትሕልላኽ ተቖጠቡ” ይብል። ኣስመራ ኣብ ህሉው ኩነታት ሱዳን ክትዋሳእ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ንካልኣይ ግዚኣ`ዩ። ዝሓለፈ ወርሒ ብፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተላእከ ሓደ ላዕላዋይ ጉጅለ ልኡኽ፡ ኣብ ካርቱም፡ ምስ`ቲ ኣብ መሪሕነት ዘሎ ወታሃደራዊ ቤት-ምኽሪን፡ ምስ መራሕቲ ተቓወምትን ተራኺቡ ዘትዩ ኔሩ`ዩ። ምስዚ ብዝተኣሳሰር ዜና፡ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንወታሃደራዊ መራሕትን ተቓወምትን ሱዳን ንምሽምጋል ጽባሕ ዓርቢ ናብ ካርቱም ክኸይድ`ዩ። ቀ\/ሚ ኣብይ፡ ምስ ክልቲኦም ወገናት ሱዳን ብምርኻብ፡ ብዛዕባ ናብ ዲሞክራሲ ምስግጋር ከምዝሽምግል ካብ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ከምዝሓበረ ሮይተርስ ሓቢሩ’ሎ። ብኻልእ ዜና ኣሜሪካ ነቲ ለንቅነ ኣብ ሱዳን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኮኒናቶ`ላ። ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ መግለጺኡ፡ ናይ ሱዳን ወታሃደራዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪን፡ ህጹጽ ናይ ድጋፍ ሓይሊ ሱዳንን ካብ ጎንጺ ክቑጠቡን፡ ናብ ሲቪላዊ ስግግር ንምእታው ምስ`ቶም ሓይልታት ናጽነትን ለውጥን ክሰርሑን ንጽውዕ ኢሉ`ሎ። ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ቤት-ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 30 ዘውጽኦ መግለጺ`ውን ንድግፍ ዝበለ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ሚንስትሪ ወጻኢ ፡ ምስ ሰበስልጣን`ቲ ዞባ ብዛዕባ ካብ ጎንጺ ምቑጣብን፡ ናብ ልዝብ ምምላስን ኣብ ዝርርብ ከምዘለው ሓቢሩ`ሎ። ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ካርቱም ሲቪላዊ መንግስቲ ክሳብ ዝምስረት ሱዳን ካብ ኣባልነት ኣውጺኡዋ`ሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ እቲ ወታሃደራዊ ቤት-ምኽሪ፡ ንፖለቲካዊ መጻኢ`ታ ሃገር ንምልዛብ ዘቕረቦ እማመ፡ በቶም ተቓወምቲ ምስ ተነጽገ `ዩ። ተቓወምቲ ሰልፈኛታት፡ ድሕሪ`ቲ ኣብ ልዕሊ ተሰለፍቲ ኣብ ካርቱም ዝተፈጸመ ቕትለት ፡ እዚ ብወተሃደራዊ ቤት-ምኽሪ ሱዳን ዝቐርብ ዘሎ ሓሳብ ቅንዕና የብሉን ይብሉ። ብኻልእ ወገን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ደቡብ ሱዳን ጀሪ ማቲጂላ ድማ፡ ሃገሩ ንሱዳን ኣብ ምድስካል፡ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ-ክፍሊ ሰላምን ጸጥታን ከም እትተሓባበር ኣፍሊጡ`ሎ። ምኽትል ኣምባሳደር ብሪጣንያ ድመትሪ ፖሊያንስኪ ብወገኑ፡ ኣብ ካርቱም ዝስማዕ ዘሎ ምፍርራሕን ጎንጽን ተቐባልነት የብሉን, ደው ክብል ኣለዎ ኢሉ።\\n\\nመራሒ ወታሃደራዊ መሰጋገሪ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ቡርሓን፡ ምስ መራሕቲ ተቓወምቲ ብዘይ ደረት ክንዛረብ ድልዋት ኢና ክብል ከሎ፡ ወሃቢ-ቃል ሰልፈኛታት ግን ቅንዕና ዘይብሉ`ዩ ክብል መሊሱሉ። ኣብ`ዚ ሰሙን`ዚ ጥራሕ ኣብ ሱዳን ብዝተፈጥረ ጎንጺ ልዕሊ 100 ምሟቶም ይግለጽ ኣሎ። ልዕሊ 500 ከምዝቖሰሉ`ውን ይግለጽ`ዩ። ሰልፈኛታትን ተቓወምትን ድሕሪ ሚያዝያ 11 ምውራድ ነዊሕ ነታ ሃገር ዝምርሑ ፕረዚደንት ዑማር ኣልበሽር-ስልጣን ዝሓዘ ወታሃደራዊ ሓይሊ፡ ስልጣን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ከሰጋግር ክጽውዑ ጸኒሖም ኣለዉ። ጎንጺ፡ ሱዳን ኣብ ወርሒ ዝሓለፈ ታሕሳስ`ዩ ብቁጥዐ ምኽባር ዋጋ ባንን ሕጽረት ጥረ-ገንዘብን ምጅማሩ ይዝከር። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%95%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%95%E1%8B%9B-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%90%E1%89%92%E1%8D%89\/4948508.html"} {"headline":"ኣብ ኣክሱም ዩኒቨርሲቲ ብዘጋጠመ ግጭት ሓደ ተማሃራይ ሞይቱ","content":"ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣክሱም ኣብ መንጎ ተምሃሮ ብዝተፈጠረ ጎንፂ ህይወት ሓደ ተማሃራይ ምጥፍኡን ካልኦት ቁፅሮም ዘይተፈለጠ ሰባት ድማ ቆሲሎም:: ምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሎሚ ኣማስዮም ኣብቲ ጉዳዩ ጠሚቱ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ህይወት ሓደ ተማሃራይ ምሕላፉ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም:: ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣክሱም ትማሊ እቲ ኩነታት ቅድሚ ምፍጣሩ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደብረ ማርቆስ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዘጋጠመ ጎንፂ ስዒቡ ህይወት ሓደ ተማሃራይ ምሕላፉ ብምኹናን ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ኣብታ ከተማ ሰልፊ ኣካይዶም ነይሮም:: ፖሊስ ነቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንምብታን ዘንብዕ ትኪ ተጠቒሙ ከምዝበተኖም ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝርከቡ ምንጭታት ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም:: ሓይልታት ፀጥታ ስጉምቲ ምስ ወሰዱ እቲ ህውከት ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ከምዝተልዓለ እዩ ተሓቢሩ:: በዚ ድማ ሓደ ተማሃራይ ካልኣይ ዓመት እቲ ዩኒቨርስቲ ኣብቲ ጎንፂ ህይወቱ ከምዘሓለፈን ካልኦት ቁፅሮም ዘይተፈለጠ ሰባት ድማ ጉድኣት ከምዝበጽሖም ተገሊጹ:: No media source currently available ተማሃራይ 5ይ ዓመት እቲ ዩንቨርስቲ ኣማኑኤል ኣማረ እት ዕግርግር ኣብ ዝተፈጥረሉ ህሞት ኣብ ውሽጢ ዶርም ከምዝነበረ ገሊፁ: ብፍላይ ናይ ደቂ ተባዕትዮ መደቀሲ ክፍሊ እምኒ ምድርባይ ከምዝነበረ ይዛረብ:: ኣብቲ ዛዕባ ሎሚ ተማሃሮ ምስ ኣመራርሓ እቲ ዩኒቨርሲቲ ዘተ ኣካይዶም እዮም:: ምክትል ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ዶክተር ኪሮስ ጉዕሽ ኣብዚ ሐዚ እዋን ስራሕቲ ምርግጋዕ ንፍፅም ኣለና ኢሎም:: ዩኒቨርስቲ ኣክሱም ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ በቲ ዕግርግር ህይወት ሓደ ተማሃራይ ምሕላፉ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ገሊፁ:: ነቲ ፍፃመ ድማ ዝኹነን ሕማቕ ተግባር እዩ ኢሉዎ:: ነቲ ተግባር ዝፈፀሙ ሰባት ድማ ናብ ቅድሚ ሕጊ ክቐርቡ ምስ ኣካላት ፀጥታ ብሓባር ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ:: ምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሎሚ ኣማስዮም ኣብቲ ጉዳዩ ጠሚቱ መግለፂ ሂቦም:: ህይወት ሓደ ተማሃራይ ብምኽንያት መንነቱ ምሕላፉ ከምዝሓዘኑ ገሊፆም:: ንስድራ መዋትን መሓዝቱን ብሽሞም: ብሽም ህዝብን መንግስቲን ክልል ትግራይ ምጽንናዕ ተመንዮም:: “እዚ ተግባር ዝፈፀሙ ኣካላት ገበነኛታት እምበር ተማሃሮ ክበሃሉ ኣይኽእሉን ኢሎም:: እቲ ፍፃመ ንህዝቢ ዘይውክል ዘሕፍር ተግባር እዩ” ድሕሪ ምባል \"ብውልቀይ እዚ ተግባር ኣሕፊሩኒ እዩ ከም መንግስቲ ድማ ሕጊ ክነኽብር ኢና\" ኢሎም:: እዚ ተግባር ዝፈፀሙ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ እዮም ኢሎሞም:: ተማሃሮ ዩንቨርስቲ ኣክሱም ትምህርቶም ተረጋጊዖም ክመሃሩ ድማ ሓቲቶም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8A%AD%E1%88%B1%E1%88%9D-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%89%A8%E1%88%AD%E1%88%B2%E1%89%B2-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%83%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B1\/4947009.html"} {"headline":"ኣብ ናይ ዓዲግራት መአረሚ ማእከል ብዝተፈጥረ ዕግርግር 1 ሰብ ሞይቱ","content":"ኣብ ናይ ዓዲግራት መአረሚ ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ብዝተፈጠረ ዕግርግር ህይወት ሓደ ሰብ ከምዝሓለፈ ተገለፁ:: በቲ ፍጻመ ካልኦት ሰለስተ ሰባት እውን ምቁሳሎም ተገሊጹ’ሎ። ምምሕዳር እቲ መአረሚ ማእከል “ኣብቲ መአረሚ ማእከል ሃንደበት ብዝተኻየደ ፍተሻ ብዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ስዒቡ ብዝተወሰደ ስጉምቲ እዩ እቱ ጉዳኣት ዝበፅሐ” ኢሎም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%93%E1%8B%B2%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%A0%E1%88%A8%E1%88%9A-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8D-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%A8-%E1%8B%95%E1%8C%8D%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%88%AD-1-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B1\/4945536.html"} {"headline":"ወታሃደራዊ መሪሕነት ሱዳን ኣብ ዝመጽእ 9 ኣዋርሕ ምርጫ ከምዘካየድ ኣፍሊጡ","content":"ወታሃደራዊ ቤት ምክሪ ሱዳን ምስ ተቓወምቲ ዝተበጽሓ ስምምዕ ከምዝሰረዞ ኣፍሊጡ። እቲ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ነዚ ዘፍለጠ ትማሊ ሶኑይ ኣብ መንጎ ተቓወምቲን ሓይልታት ጸጥታን ብዘጋጠመ ግጭት 35 ምሟቶም ስዒቡ’ዩ። ላዕለዋይ ሓላፊ መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡህራን ሎሚ ሶሉስ ብቴሌቭዥን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓድሽ መንግስቲ ብህጹጽ ከምዝምስረትን ኣብ ዝመጽእ 9 ኣዋርሕ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ነታ ሃገር ከምዝመርሕ ኣፍሊጦም ኣለው። ንሶም ብተወሳኺ እቲ ምርጫ ብደረጃ ዞባታት ዝተወደበ ከምዝኸውንን እብ ትሕቲ ዓለምለኸ ተዓዘብቲ ዝካየድ ምኳኑ ገሊጾም ኣለው። ትማሊ ሶኑይ ኣብ ኣፍደገ ሚንስትሪ ምክልካል’ታ ሃገር ተቓውሞ ዘካየዱ ኣብ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ነቲ ኣብ መንጎ ወታሃደራዊ መሪሕነትን ሕብረት ተቓወምቲ ውድባት ንናጽነትን ለውጢን ዝካየድ ዝነበረ ልዝብ ደው ከምዘበሎ ተገሊጹ’ሎ። No media source currently available ቀንዲ ተቓዋሚ ውድብ’ታ ሃገር ማሕበር ሰብ ሞያ ሱዳን ነቲ ናይ ትማሊ ሶኑይ መጥቓዕቲ ሓይልታት ጸጥታ “ምጽናት ዓሌት” ዩ ክብል ምግላጹ ይፍለጥ። ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ ነቲ መጥቓዕቲ ጨካን ዝተወሃደ መጥቃዕቲ’ዩ ኢሎም ድሕሪ ብምኹናን ዝኾነ ኣብ ሱዳን ኣብ መጻኢ ናብ መሪሕነት ዝመጽእ መንግስቲ ንተቓወምቲ ዘጠቓልል ክከውን ኣለዎ ኢሎም። ጀነራል ቡርሃን ነቲ ናይ ትማሊ ግጭት ዝምልከት ምርመራ ከምዝካየድ እንተገለጹ እዃ ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ምስቲ ግዝያዊ መንግስቲ ኣብ ስምምዕ ብዘይምብጽሖም ነቲ ኩነታት ከም ዝናዋሕ ብምግባሮምን ነቒፎም። ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብጠለብ ብሪጣንያንን ጀርመንን ንጉዳይ ሱዳን ዝምልከት ሎሚ ሶሉስ ዕጽው አኼባ ከምዘካይድ’ውን ተፈሊጡ’ሎ። ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ትማሊ ሶኑይ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ኮፍ ናይ ምባል አድማ ኣብ ዝካየደሉ ቤት ጽሕፈት ሚንስትሪ ምክልካል ብዘካየድዎ መጥቓዕቲ 35 ሰባት ምሟቶም ይግለጽ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%AA%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%8A%A5-9-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4945243.html"} {"headline":"ናይ ኤርትራ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ለውጢ ንዲሞክራሲ ህዝባዊ መድረኽ ምይይጥ","content":"ናይ ኤርትራ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ለውጢ ንዲሞክራሲ ‘ይአኽል’ ብዝብል ቴማ ንመንግስቲ ኤርትራ ብምቅዋም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ አናሂም ካሊፎንያ ህዝባዊ መድረኽ ምይይጥ አዳልዩ ኔሩ። ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ከተማ ሎስ አልጀለስ ንሓደ ካብ አዳለወቲ’ቲ መድረኽ ዝኾኑ ኣቶ ዳዊት ገብረመስቀል ካብ ሎስ አንጀለስ ኦሬንጅ ካውንቲን ንብዙሕ ዓመታት ሓላፊ ማእከል ማሕበረሰብ ኤርትራዊያን ኮይኖም ዝሰርሑ ደጋፊ መንግስቲ ኤርትራ ኣቶ ሳህለ ገብረማርያም ኣዘራሪቡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%8A%BD-%E1%88%9D%E1%8B%AD%E1%8B%AD%E1%8C%A5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%B5%E1%89%83%E1%88%B5-%E1%88%88%E1%8B%8D%E1%8C%A2-%E1%8A%95%E1%8B%B2%E1%88%9E%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%88%B2\/4944120.html"} {"headline":"ኣብ ኣርባዕተ ክልላት ኢትዮጵያ ብዝተራእየ ሕማም ሸሮኽ 15 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ኣርባዕተ ክልላት ኢትዮጵያ ትግራይ፣ኦሮሚያ፣ሶማሊያን ኣምሓራን ከምኡ እውን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ለበዳ ሸሮኽ ተኸሲቱ ክብል ናይ ኢትዮጵያ ኢንስቲትዩት ጥዕና ማሕበረሰብ ኣፍሊጡ። ክሳብ ሕጂ 366 ሰባት ምልክታት ሕማም ከምዝተርኣዮም 15 ኸኣ ከምዝሞቱን ተገሊፁ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%AD%E1%89%A3%E1%8B%95%E1%89%B0-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%A5%E1%8B%A8-%E1%88%95%E1%88%9B%E1%88%9D-%E1%88%B8%E1%88%AE%E1%8A%BD-15-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D-\/4944044.html"} {"headline":"ሄርማን ኮሀን፡ ኣሜሪካ ንኤርትራ ኣብ ዕብየት ኤኮኖሚኣ ዝያዳ ክትሕግዛ ይጽውዕ","content":"ኣሜሪካ፡ ንኤርትራ ካብ ዝርዝር ኣብ ጸረ-ግብረ ሽበራ ዘይተሓባበራ ሃገራት ድሕሪ ምውጽኣ እቲ ስጉምቲ ነታ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ዳሕራዋይ ዲፕሎማቲክ ዓወት ኮይኑ ተራእዩ`ሎ። ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ኣብ 2008`ዩ፡ ንኤርትራ፡ ምስ`ተን ኣብ ዘመተ ጸረ-ሽበራ ዘይተሓባበራ ዝብለን ሃገራት ጸንቢርዋ። ድሕሪ ሓደ-ዓመት ድማ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ነቲ ኣብ ሶማል ዝርከብ ጉጅለ ሽበራ ኣልሸባብ ብምድጋፍ ብምኽሳስ፡ ማዕቀብ ኣንቢሩላ። መንግስቲ ኤርትራ ግን ነቲ ጉጅለ ግብረሽበራ ከምዘይድግፍ ክገልጽ ጸኒሑ`ዩ። ናይ ሕቡራት ሃገራት ተቖጻጻሪ ጉጅለ`ውን፡ ንዓመታት፡ ኤርትራ ንኣልሸባብ ከም እትድግፍ መርትዖ ክረክብ ኣይክኣለን። ነዚ ዳሕራዋይ ስጉምቲ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝነኣደ ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ “ኤርትራ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ኣንጻር ግብረ-ሽበራ ዘለዋ መትከል ነቕ ዝብል ኣይኮነን፡ እዚ መትከል`ዚ ድማ ካብ`ቲ ግዳማዊ ምትሕብባር ንላዕሊ፡ ካብ ሃገራዊ ጸጥትኣ ዝብገስ ዘይቕየር መትከል`ዩ” ኢሉ።\\n\\nምስ`ተን ኣብ`ቲ ናይ ዘይተሓባበራ ዝብል ዝርዝር ዘለዋ ከም በዓል ሶርያ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ኢራን ዝበላ ሃገራት ዝጸንሐት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኤርትራ`ምንባራ ይፍለጥ። ምኽትል ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ንጉዳያት ኣፍሪቃ ዝነበረ ሄርማን ኮሀን፡ ኤርትራ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ኣቀማምጣን፡ ምስ የመን ከምኡ ምስ ሃገራት ወሽመጥ ዘለዋ ናይ ቦታ ቅርበትን፡ ኣገዳሲት ወታሃደራዊት መሻርኽቲ ይገብራ ይብል። “ኤርትራ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ኣዝዩ ስትራተጂካዊ ቦታ እትርከብ ሃገር`ያ። ኣብ ማዕዶ ስዑዲ ዓረብን የመንን`ያ ትርከብ። ንኣሜሪካ ክጠቕሙ ዝኽእሉ ወደባት ኣለውዋ። ፈጻሚ ጉዳይ ኤምባሲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምሉእ ኣምባሳደር ክህለወና ይግባእ : ኣብ`ቲ ኣገዳስን ተኣፋፍን ከባቢ፡ ነቲ ኩነታት ዝከታተሉ ወታሃደራዊ ሰባት ክህልውና ኣገዳሲ`ዩ። ቅድሚ ሎሚ`ውን ኣብ ኣስመራ ወታሃደራዊ መደበር ኔሩን`ኳ`ዩ። ንዕኡ ዳግም እንተቐጸልናዮ ጽቡቝ `ዩ ዝመስለኒ” ዶ\/ር ዓወት ወልደሚካኤል፡ ኣብ ኪንግስተን ኦንታርዮ ካናዳ፡ ኣብ ኩንስ ዩኒቨርሲቲ ተሓጋጋዚ ፕሮፈሶር ታሪኽ ክኸውን ከሎ፡ ንኤርትራ ካብ ዝርዝር`ተን ኣብ ግብረ ሽበራ ዘይተሓባበራ ምውጻእ ከም ሓደ መርኣያ ምልክት ክውሰድ ዝክኣል`ኳ እንተኾነ፡ እቲ ንዳርጋ 10 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ተነቢሩ ዝጸንሐ ማዕቀብ`ዩ ኣብ`ታ ሃገር ዝያዳ ርኡይ ጽልዋ ጸኒሕዎ ይብል። እቲ እገዳታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ሳዕቤናት ጸኒሕዎ`ዩ- ምኽንያቱ ኣብ ኣጠቓቕማ ዶላር ኣሜሪካ ይኹን ኣብ ናይ ወጻኢ ምልውዋጥ ሒሳባት ከቢድ ማህሰይቲ ኣውሪዱ`ዩ- ወላ ኣብ`ቲ ሕጋዊን ሰላማውን ዕላማታት ከይተረፈ” ይብል። ካብ 2015 ጀሚራ ኤርትራ፡ ስዑዲ ዓረብን ኢማራት ዓረብን፡ ንመደበራት ሓይሊ ባሕሪን ክሊ ኣየርን ኤርትራ ተጠቒመን፡ ንዕጡቓት የመን ክሃርማ ኣፍቂዳትለን`ያ ዝበለ ዶ\/ር ዓወት፡ እዚ`ውን ብዓይኒ ኣሜሪካ፡ ከም ወታሃደራዊ መሻርኽቲ ንረብሓ`ታ ሃገር ክብ ኣቢልዎ ክኸውን ይኽእል`ዩ ይብል። ብዛዕባ ምሕዝነት ኤርትራን ኣመሪካን ክዛረብ ከሎ “ድሮ`ውን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ዕቱብ ምትሕብባር ብተዘዋወሪ ይግበር ኣሎ`ዩ” ይብል ። ኤርትራ፡ ገና ኣብ ጽኑዕ ቁጽጽርን ትርከብ፡ ብዘይ ዲሞክራሲያዊ ምርጫ መንግስቲ፡ ጽኑዕ ደረት ናጽነት ፕረስን ሃይማኖትን ዘላ ሃገር ምዃና፡ ከምኡ`ውን ካብ ደረት ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክሃድሙ ኣሸሓት መንእሰያት ካብ`ታ ሃገር ከምዘወጹ ነቐፍቲ ይገልጹ። እንተኾነ፡ ም\/ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ዝነበረ ሄርማን ኮሀን፡ ቁጠባ`ታ ሃገር ይመሓየሽ ከምዘሎ ይእምን። ኣብ ወደባት ባጽዕን ዓሰብን ዝወሰኸ ምንቅስቓስን፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝግበር ዶብ-ሰገር ንግድታትን ከምኡ`ድማ፡ ኣብ`ታ ሃገር ዘሎ ሃብታም ማዕድናዊ ጸጋታት ከም ኣብነት ይጠቅስ። “ ብሓፈሽኡ፡ ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ዝቕጽል ዘሎ ቁጠባዊ ዕብየት ኣሎ። ተወሰኽቲ ናይ ዕደና ኩባንያታት ናብ ኤርትራ ይኣትዋ ኣለዋ። ኣዝዩ ዓቢይ ዝኾነ ናይ ማዕድን ጸጋታት ኣሎ። ስለዚ ሕጂ እቲ ውጥረት ኮነ እቲ ተጻብኦታት ኣዝዩ ስለዝጎደለ፡ ነገራት ብሓቂ ብጽቡቕ ክሰፍሑ ይግባእ” ሀርማን ኮሀን ፡ ኣሜሪካ ነዚ ዳሕራዋይ ዕድላት፡ ናብ ዝያዳ ምሕዝነት ምስ ኤርትራ ክትወስዶ ተስፋ ይገብር። “ንኤርትራ ከም መሓዛን፡ ኣገዳሲት ስትራተጂካዊት ሃገራን ብምርኣይ፡ ነዚ ዕድላት ክንጥቀመሉን፡ ኣብ ቁጠባዊ መዳያት ክንሕግዞምን ኣለና። ምኽንያቱ ንቁጠባኦም ዘመናዊ ንምግባር`ዮም ዝሰርሑ ዘለዉ።” እዚ ብሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ዝነበረ ዘይምርድዳእ ዘዝሕል ዳሕራዋይ ስጉምቲ`ዩ። ዝሓለፈ ዓመት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ 20 ዓመታት ምስሕሓበን ከም ዝዓርፍ ጌረን ሰላም ድሕሪ ምፍጣረን፡ ባይቶ ጸጥታ ኣብ`ታ ሃገር ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ማዕቀብ ኣልዒልዎ፡ዝሓለፈ መጋቢት ድማ፡ ሓደ ጉጅለ ልኡኽ ባይቶ ኣሜሪካ፡ ኣብ ውሽጢ 14 ዓመታት ንመጀመርያ ግዚኡ ኣብ ኤርትራ ዲፕሎማሲያዊ ዑደት ጌሩ ኔሩ`ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%84%E1%88%AD%E1%88%9B%E1%8A%95-%E1%8A%AE%E1%88%80%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%95%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%95%E1%89%A5%E1%8B%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%8A%AE%E1%8A%96%E1%88%9A%E1%8A%A3-%E1%8B%9D%E1%8B%AB%E1%8B%B3-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%88%95%E1%8C%8D%E1%8B%9B-%E1%8B%AD%E1%8C%BD%E1%8B%8D%E1%8B%95\/4943942.html"} {"headline":"9ይ ጉባኤ ማሕበር መንእሰይ ክልል ትግራይ ይቓናዕ ኣሎ","content":"ማሕበር መናእሰይ ትግራይ 9ይ ጉባኤኡ የካይደሉ ኣብ ዘሎ እዋን ካብ ዝተፈላለዩ ክልላት ዝተወኩሉ ኣባላት ማሕበር መናእሰይ: ኣመራርሓ መንግስቲ : ወከልቲ ተቓወምቲ ውድባትን ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ይሳተፉ ኣለው:: ኣቦ መንበር ቦርድ ማሕበር መናእስይ ትግራይ ኣይተ ተኽላይ ገብረመድህን ናይቲ ማሕበር ዝሓለፉ ጉባኤታት መናእሰይ ተጠቀምቲ ዝገበሩ ውሳነታት ዝተመሓላለፍሉ ነይሮም ኢሎም:: እቲ ናይ ሎሚ 9ይ ጉባኤ ከይዲ ሰላም: ልምዓትን ህንፀት ዲሞክራሲ ኢትዮጵያ ሓደጋ ኣብ ዘንፀላለወሉ እዋን ዝርከብ ብምዃኑ ንመንእሰይ ትግራይ ዝረብሕ ውሳነታት ዝወሰንሉ ክኸውን ትፅቢቶም ገሊፆም:: ንሶም ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተጀመረ ሰላም ንመናእሰይ ዘለዎ ረብሓ ልዑል እዩ ዝበሉ ኮይኖም ሐዚ እውን እቲ ከይዲ ስላም ነባሪ ክኸውን መንግስታት ክሰርሑ ይግባእ ኢሎም:: ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኸቡ ምክትል ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶ\/ር ደብረፅዮን ገ\/ሚካኤል ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ:: \"መንእሰይ ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ምስ ካልኦት ህዝብታት ሓቢሩን ተከባቢሩን ናይ ምንባር ባህጊ ፣ ድልየት ፣ ልምድን ባህልን ዘለዎ ፤ናይ ካልኦት ህዝብታት መሰል ዘይትንክፍ መንእሰይ ምኳኑ ኣመስኪሩ እዩ \" ኢሎም:: በዚ ድማ ሰላም ትግራይ ብመናእስይ ተሓልዩ ይርከብ ክብሉ ተዛሪቦም:: ዶ\/ር ደብረጽየን ቀጺሎም ሰላም ትግራይ ስለዝተሓለወ ኣብዚ ዓመት ንመናእስይ ዕድል ስራሕ ክፈጥሩ ዝኽእሉ ልዕሊ 1300 ሰብ ሃብቲ ፍቓድ ኢንቨስትመንት ኣብ ትግራይ ኣውፂኦም ናብ ስራሕ ንምእታው ይቀንሳቐሱ ከምዘለውን ተግባራዊ ስራሓት ዝጀመሩ ከምዘለውን ገሊጾም:: ብተወሳኺ ድማ መናእሰይ ንመስርሒ ገዛ መሬት ክረኽቡ ከምዝተሰርሐን ኣብ ጣብያታት ድማ ሰናይ ምምሕዳር ንምስፋን ምሁራት መናእሰይ ኣብ ኣመራርሓ ክመጹ ተገይሩ ኢሎም:: ተወካሊ መናእሰይ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ቶፊቅ ኑርሑሴን መናእሰይ ኤርትራን ትግራይን ብዘካየድዎ ብረታዊ ቃልሲ ንናይ ሓባር ፀላኢኦም ስዒሮም ኢሉ:: ኣብ ዝሓለፋ 20 ዓመታት ዝነበረ ዘይምቅዳው ንክልቲኡ ህዝቢ ኣኽሲሩ እዩ ዝበለ ቶፊቅ ብቐፃሊ እቲ ርክብ ክሕይል ክሰራሕ ይግባእ ኢሉ:: ጉባኤ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ፅባሕ ክዛዘም:: እዚ \"ጉባኤ ስመር\" ብዝብል መሪሕ ቃል ይካይድ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%AD-%E1%8C%89%E1%89%A3%E1%8A%A4-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%AD%E1%89%93%E1%8A%93%E1%8B%95-%E1%8A%A3%E1%88%8E\/4943890.html"} {"headline":"መምህራን ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት’ቲ ክልል ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዶም","content":"መምህራን ክልል ኣምሓራ ሎሚ ዓርቢ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም።እቶም መምህራን ወሰኽ መሃያ፣ካልኦት ጥቕምታትን ምምሕዳራዊ ጉዳያትን ዝብሉ ሕቶታት ኣቕሪቦም ኣለው።ናይቲ ክልል መንግስቲ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ክልልን ፌደራልን ተዘራሪቡ ምላሽ ከምዝህብ ኣፍሊጡ'ሎ። ኣብ ከተማታት ባህርዳር፣ደብረ ታቦር፣ደብረማርቆስ፣ደሴን ካልኦት ከተማታት ዝርከቡ መምህራን ናይ ተቓውሞ ድምፆም ከስምዑ ውዒሎም ኣለው። ሕቶኦም ወሰኽ መሃያን ምምሕዳራዊ ጉዳያትን ሓዊሱ 46 ጠለባት ዝሓዘ እዩ።ኣቦ መንበር ማሕበር መምህራን ከተማ ባህርዳር መስፍን ኣመሸ ኣየለ ዕላማ ናይቲ ተቓሞ ሰልፊ ከምዚ ክብሉ የረድኡ። “በብእዋኑ ንመንግስቲ ዝተፈላለዩ ሕቶታት እንተቕረብና እውን ዋላ ሓደ ምላሽ ብዘይምርካብና ኢና ሎሚ ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ ክነካይድ ዝተገደድና።” ኣቶ መስፍን ብተወሳኺ እዚ ሰልፊ ኣብ 15 ዞባታት፣ኩለን ወረዳታትን ከተማታትን ክልል ኣምሓራ ክካየድ ከምዝውዓለ እውን ገሊፆም። ሰልፈኛታት ክፍሊት መምህራን ካብ ክልል ናብ ክልል ክፈላለ የብሉን፣ዕብየት ደረጃ ብእዋኑ ኣይንረክብን ዘለና፣ዓውዲ ትምህርቲ ኣብ ክንዲ ብፖለቲካ ብሞያ ይመራሕ ዝብሉ ጭርሖታት የስምዑ ነይሮም። ንሕቶ ምምህራን ዝተቐበሉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዋና ኣማሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ዘለኣለም ልጃለም ከምዚ ኢሎም። “ዘልዓልኩምዎም ኣስታት 47 ሕቶታት፡ነቲ ክልል ዝምልከት ናይቲ ክልል ዝለዓለ መሪሕነት ተዘራሪቡ ምላሽ ክህበኩም እዩ።ናብ ፌደራል ዘቕረብኩምዎም ሕቶታት እውን እቲ ክልል ምስ ፌደራል ብምዝርራብ ፍታሕ ንምምፃእ ፃዕሪ ከምዝገብር ክገልፀልኩም እደልይ።” ብተመሳሳሊ ኣስታት ሓደ ሽሕ ዝኾኑ መምህራን ከተማ ደሴ እውን ድምፅና ይሰማዕ ክብሉ ሎሚ ሰልፊ ኣካይዶም። ናይ ምማህራን ኣካዳሚያዊ ናፃነት ይታሓሎ፣ሃገር ፅፈት ብዘለዎ ትምህርቲ ክትህነፅ እያ ዝብሉን ካልኦትን ጭርሖታት ሒዞም ከምዝነበሩ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ከተማ ደሴ ሓቢሩ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A8-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%88%9E-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D\/4940892.html"} {"headline":"“ይኣክል” ብዝብል ቴማ ኣብ ዲሲ ዝተኸበረ በዓል ናጽነት ኤርትራ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተዘኸረ መበል 28 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብዝለዓለ መስዋእትነት ዝተረኽበ ናጽነት ንምኽባርን ኣብ ሃገርና ጎዲሉ’ሎ ንብሎ ድምጽና ንምስማዕን ኣብ ዝመጽእ ድማ እታ ሃገር ክትኾኖ ዝግብኣ ኣብ ዝብል ንምዝታይ ኤርትራዊያን ነበርቲ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ኣብቲ ‘ይኣክል’ ዝብል ቴማ ሰልፊን ሲምፖዝየምን ከምዘካየዱን “ ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣሜሪካ “ ከምዘቆሙን ገሊጾም። ብዛዕባ’ዚ ንገለ ኣተሓባበርቲ’ቲ ሰልፊን ሲንፖዝየምን ኣዘራሪብና ኣለና ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%AD%E1%8A%A3%E1%8A%AD%E1%88%8D-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%89%B4%E1%88%9B-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%B2%E1%88%B2-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8A%93%E1%8C%BD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB\/4939438.html"} {"headline":"ስነ ስርዓት ኣከባብራ መበል 28 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ - ኣስመራ","content":"ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ `ምስ`ዚ ሓዲሽ ክውንነት ብዝሳነ ካብ ህንጸት-መሰረተ ልምዓት ከይወጻና፡ ህይወት ህዝቢ ብነባሪን ብዓይነትን ንምልዋጥ ክንሰርሕ ኢና።` ዝሓለፈ ዓርቢ መበል 28 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዝተኸብረሉ፡ ኣብ ስታድየም ኣስመራ መደረ ዘስምዑ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ እዚ ሓዲሽ ዘመን፡ ህዝቢ ኤርትራ ውጽኢት ጽንዓቱ ዝርኣየሉ እዋን ብምዃኑ፡ ናይ`ዚ ዓመት መሪሕ ቃል፡ ጽንዓት ብጽንዓት ንልምዓት ኮይኑ`ሎ ኢሎም። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣተሓሒዞም፡ ምስ`ዚ ሓዲሽ ክውንነት ብዝሳነ ካብ ህንጸት-መሰረተ ልምዓት ከይወጻና፡ ህይወት ህዝቢ ብነባሪነትን ብዓይነትን ንምልዋጥ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም። ምሉእ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%AB-%E1%88%98%E1%89%A0%E1%88%8D-28-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8A%93%E1%8C%BD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB---%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB\/4939457.html"} {"headline":"ኤርትራ: ብሃገራዊ ኮንፈደሬሽን ሰራሕትኛታት ኤርትራ ዝተወደበ ዓውደ-ዘተ ተኸፊቱ","content":"ብሃገራዊ ኮንፈደሬሽን ሰራሕትኛታት ኤርትራ ዝተወደበ ናይ ክልተ መዓልታት ዓውደ-ዘተ ሎሚ ሓሙስ 30 ግንቦት 2019 ኣብ ኣዳራሽ ናይቲ ማሕበር ተኸፊቱ። እቲ “ዕድላትን ብድሆታትን መጻኢ ስራሕ ኣብ ኤርትራ” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ-ዘተ ቀንዲ ዕላማኡ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ዕድላት ስራሕን ብድሆታቱን ምስ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ዘሎ ትስፍው ናይ ምሕዝነትን ምተሕግጋዝን ሃዋህው ዝህልዎ እወንታዊ ምዕባለታትን ንምግምጋም ዝዓለም ከምዝኾነ ግዝያዊ ሓላፊ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሃኮሰኤ ኣቶ ኣብርሃም ክብሮም ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%AE%E1%8A%95%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AC%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B5%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%8B%B0%E1%89%A0-%E1%8B%93%E1%8B%8D%E1%8B%B0-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%8D%8A%E1%89%B1\/4939411.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ 149 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ሮም ምስጋሩ ገሊጹ","content":"ኣብ ዋና ከተማ ትሪፖሊ ናዕቢ፣ጎነፅን ምንቁልቋል ኩነታት ፀጥታን እናዓበየ ይኸይድ ኣብዘለወሉ ሕጂ እዋን 149 ስደተኛታትን ሓተቲ ዕቑባን ብሓገዝ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ሓሙስ ናብ ሮም ከምዝተወስዱ ተገሊጹ። እቶም ናብ ሮም ዝተወስዱ ስደተኛታት ኤርትራዊያን፣ሶማሊያዊያን፣ሱዳናዊያንን ኢትዮጵያዊያንን እዮም።ካብ መንጉኦም 65 ህጻናት ክኾኑ ከለው እቶም 13 ትሕቲ ሓደ ዓመት ቆልዑት እዮም። ዝበዝሑ ካብቶም ካብ ሊብያ ዝተወሰዱ ስደተኛታት ሓገዝ ሕክምና ከምዘድልዮምን ብዋሕዲ ኣመጋግባ ይሳቐዩ ከምዝነበሩን ተፈሊጡ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-149-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%8A%E1%89%A5%E1%8B%AB-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8C%8B%E1%88%A9-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4939306.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ (2ይ ክፋል)","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ናብ መዝነት ካብ ዝመጹ ሓደ ዓመት ኣቑጺሮም ኣለው። ንፈለማ ጊዜ ምስ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ አዲስ ኣበባ ቃለ መጠይቕ አካይዶም ኣለው። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ጉዳይ ዝምድና ኢትዮ-ኤርትራን ምዕጻው ዶባት ክልቲኣን ሃገራት ዝቐረበሎም ሕቶታት መሊሶም። ካልኣይ ክፋል’ቲ ቃለ መጠይቅ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%89%80%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-(2%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%8D%8B%E1%88%8D)-\/4937714.html"} {"headline":"ልዕሊ 150 ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ደብረ ማርቆስ ሰጊእና ብዝብል ናብ ኣዲስ ኣበባ ምኻዶም ተፈሊጡ","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ዩኒቨርስቲ ደብረ ማርቆስ ብዝተፈጥረ ግጭት ሓደ ተምሃራይ ተቐቲሉ ካልኦት ሰልስተ ድሕሪ ምቑሳሎም ልዕሊ 150 ተምሃሮ ተወለድቲ ትግራይ ንህይወትና ንሰግእ ኢና ብዝብል ሎማዕንቲ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ዘዘራረብናዮም ተምሃሮ ገሊፆም። ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ናይቲ ዩንቨርስቲ ኣቶ ደሳለው ጌትነት ግን ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኸዱ ተምሃሮ ሒደት ውሑዳት እዮም፣ንዕኦም ኣዘራሪቡ ዝመልሶም ስ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተጣየሸ ኮሚቴ ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ይጉዓዝ ኣሎ ኢሎም። ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሩ ኣብ ዩኒቨርስቲ ደብረ ማርቆስ ብዝተፈጥረ ወጥሪ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉ ተቋሪፁ’ሎ። በቲ ግጭት ክልተ ኣተሓባበርቲ ሕብረት ተምሃሮን ካልኦት ክልተ ተምሃሮን መውቃዕቲ ዝወረዶም ክኸውን ከሎ፡ ካብ መንጎኦም ሰዓረ ኣብርሃ ዝተባሃለ ሳልሳይ ዓመት ተምሃራይ ህይወቱ ሓሊፉ ኣብ ትግራይ ሽረ እንዳስላሰ ከባቢ ሰመማ ትማሊ ስርዓት ቀብሩ ተፈፂሙ’ል። ኣብርሃ ገብረእግዛብሄር ዝተብሃለ ተምሃራይ ድማ ኣብ ሆስፒታል ባርዳር ይሕከም ኣሎ።ካልኦት ክልተ ክኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሕከሙ ኣለው ብመሰረት ናይቲ ዩኒቨርስቲ ዳይረክተር ርክብ ህዝብን ኮሚኒኬሽንን ኣቶ ጌትነት ደሳለው። ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/tudents-of-university-of-debre-markos-fled-to-addis-ababa\/4937670.html"} {"headline":"ኣብ ሱዳን ንካልኣይ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ባንክታት'ታ ሃገር ስራሕ ደው ምባለን ተገሊጹ","content":"ሎሚ ረቡዕ ኣብ መላእ ሱዳን ዝተኻየደ ተቓውሞ ባንክታት'ታ ሃገር ስራሕ ደው ምባለን ተገሊጹ። ኣባላት ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዝበጽሕወን ባንክታት ከተማ ካርቱም ተዓጽየን ከምዝነበራን ገንዘብ መወጽኢ ሜሽን ንመዓልታት ብዘይ ገንዘብ ምቕናየን'ውን ሓቢሮም። ሰራሕተኛታት ባንክታት እውን ወታሃደራዊ መሪሕነት ሱዳን ካብ መዝነቱ ክወርድ ዝጠልብ ንካልኣይ መዓልቲ ዝተኻየደ ተቓውሞ ምሕዋሶም ተፈሊጡ'ሎ። ሓይልታት ኣዋጅ ንናጽነትን ለውጢን ዝተባህለ ተቓዋሚ ሕብረት ሱዳን ንኩሎም ሰራሕተኛታት ብሕቲን ህዝባዊ ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት ናይ ክልቲ መዓልታት ተቓውሞ ከካይዱ ምጽውዖም ይዝከር። ይኹን ደአ እምበር መጉዓዝያ ምድሪን መዓርፎ ነፈርቲ'ታ ሃገርን ግን ኣገልግሎት ከምዘየቋረጻን ኣብያተ ንግዲ'ውን ተኸፊቶም ምንባሮም ተፈሊጡ'ሎ። ሓይልታት ኣዋጅ ንናጽነትን ለውጢ ምስ ቤት ምኽሪ ወታሃደራዊ ቤት ምክሪ ዝካየድ ልዝብ ኣብ ስምምዕ እንተዘይበጺሑ መዝነት ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር እንተዘይተመሓላሊፉ ተቓውሞ ኣብታ ሃገር ክቕጽል ጸዊዑ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A3%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B0-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%88%9E-%E1%89%A3%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%88%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4937511.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ (1ይ ክፋል)","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ናብ መዝነት ካብ ዝመጹ ሓደ ዓመት ኣቑጺሮም ኣለው። ንፈለማ ጊዜ ምስ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ አዲስ ኣበባ ቃለ መጠይቕ አካይዶም ኣለው። ቀዳማይ ክፋል’ቲ ቃለ መጠይቅ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%89%80%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-(1%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%8D%8B%E1%88%8D)\/4936134.html"} {"headline":"ኣሜሪካ ፡ ንኤርትራ ካብ ዝርዝር ኣብ ዘመተ ኣንጻር ግብረ ሽበራ ዘይተሓባበራ ሃገራት ኣውጺኣታ","content":"ኣሜሪካ ኣብ ወፍሪ ጸረ-ሽበራ ዘይተሓባበራ ኢላ መዲባተን ካብ ዝጸንሐት ሃገራት ሓንቲ-ኤርትራ ካብ`ቲ ዝርዝር ከም ዝወጸት ኣብ`ቲ ጽባሕ ረቡዕ ዝወጽእ መዝገብ ተገሊጹ`ሎ። ኣብቲ ዝርዝር ኢራን፡ሰሜን ኮርያ፡ሶርያን ቬንዝዋላን ከምዘለዋ ተፈሊጡ’ሎ። ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንኣስታት 20 ዓመታት ምስ ጎረቤት ኢትዮጵያ ዝነበረ ወጥሪ ብኣዋጅ ኩናት ደው ብምባል ምዝዛማ ይዝከር። እዚ ዲፕሎማሲያዊ ለውጢ ድማ ቤት ምክሪ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ካብ 2009 ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣንቢርዎ ዝነበረ እገዳ ከልዕል ጌሩ’ዩ። ብተወሳኺ ጉጅለ ልኡኽ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ኣብ ውሽጢ 14 ዓመታት ንመጀመርያ ጊዜ ንኤርትራ ምብጽሑ’ውን ይፍለጥ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%95%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8B%9D%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%98%E1%88%98%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%8C%BB%E1%88%AD-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%BD%E1%89%A0%E1%88%AB-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A3%E1%89%A0%E1%88%AB-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%8C%BA%E1%8A%A3%E1%89%B3\/4935912.html"} {"headline":"መበል 28 ዓመት ዓወት 20 ግንቦት ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ኣክሱም ብድምቀት ተኸቢሩ","content":"ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሎሚ ዓመት በዓል ዓወት 20 ግንቦት እንትኽበር: ብሄር ብሄረሰባትን ኢትዮጵያ ካብ ሓደጋ ምፍራስ: ዕንክሊልን ቅልውላውን ክትወፅእ ሓቢርና ክንቃለስ ይግባእ ኢሎም:: ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ኣክሱም ኣብ ዝተኸበረ: ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ መንግስቲ ዝመፅአሉ በዓል \"20 ግንቦት\" ንምዝካር ኣብ ዝተዳለወ ጽንብል ነበርቲ’ታ ከተማ: ማሕበረሰብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም: ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ክልልን ተረኺቦም ኔርም:: ምክትል ከንቲባ እታ ከተማ ኣይተ ኤልያስ ካሕሳይ ከተማ ኣክሱም ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ጎደና ዕብየት ትርከብ ክብሉ ተዛሪቦም:: እዚ ድማ ኣካል ውፂኢት እቲ ዓወት እዩ ኢሎም:: ናይ ክብሪ ጋሻ እቲ በዓል ምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ ዘስምዕዎ ዘረቦ እንኳዕ ንመበል 28 ዓመት በዓል ዓወት 20 ግንቦት ኣብፀሐኩም ብምባል: ገዛእቲ ንግዚያዊ እምበር ንኩሉ ጊዜ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከምዘይዕንድሩ ዘርኣየ ብምዃኑ ዓወት 20 ግንቦት ንክንማሃረሉ ክንዝክሮ ዝግባእ በዓል እዩ ክብሉ ተዛሪቦም:: እዚ ዓወት ውፅኢት ቃልሲ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኮይኑ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ናይቲ ቃልሲ ጫፍ ብልሒ ብምኳን ኣዕዊትዎ ኢሎም:: እቶም ምክትል ምምሕዳር ኣብ ዘረቦም ኣብ ኢትዮጵያ ኣሎ ብዛዕባ ዝበልዎ ፀገም ፖለቲካ እውን ኣልዒሎም እዮም:: \"ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ሕገመንግስታውን ፌዴራላዊ ስርዓት ንምፍራስ ይስራሕ ኣሎ: ኣብ ብዙሓት ከባቢታት እውን ሰላም ርሒቑ ዜጋታት ይመዛበሉ ኣለዉ” ድሕሪ ምባል ንህዝቢ ትግራይ እውን 'ንኹሉ ነገር' ተዳሎ ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም:: ዶ\/ር ደብረጽየን ቀጺሎም ኣብቲ ክልል ስራሓት ዴሞክራታይዜሽንን ጉዳይ ምርግጋፅ ማሕበራዊ ፍትሒን ጠመተ ሂብና ክንሰርሐሉ ኢና ኢሎም:: ህዝቢ ትግራይ ንኩሎም ህዝብታት ኢትዮጵያ ዘኽብር: ምስ ዝኾነ ክበኣስ ዘይደልይ እዩ ክብሉ ድማ ተዛሪቦም:: ድልየትን ረብሓን ህዝብታት ሓደ ስለዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ድማ ምስ ህዝቢ ኣምሓራ ይኹን ካልኦት ዘዛምዶ እምበር ዘፃልእ ዋላ ሓደ ጉዳይ የብሉን ኢሎም:: \"ህዝቢ እናናቖሩ ስልጣን ክሕዙን ኣብ ስልጣን ንምፅናሕ ዝደልዩ ሓይልታት ክንቃለሶም ይግባእ። ምስ ኤርትራውያን ብሓባር ብምዃን ዝኸፈልናዮ መስዋእቲ ነኽብር ኢና\" ዝብሉ እቶም ምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ እዚ ናይ ዓወት በዓል: ናይ ኤርትራውያን እውን እዩሞ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኢሎም:: ዝተጀመረ ከይዲ ሰላም ረብሓ ክልቲኡ ህዝቢ ብዘረጋግፅን ብዝተማልአ ስርዓት ክኸይድ ንምግባር ብፂሕትና ክነበርክት ኢና ኢሎም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%A0%E1%88%8D-28-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%8B%93%E1%8B%88%E1%89%B5-20-%E1%8C%8D%E1%8A%95%E1%89%A6%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%A3%E1%8A%AD%E1%88%B1%E1%88%9D-%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%89%80%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%89%A2%E1%88%A9\/4935865.html"} {"headline":"ኣብ ዩኒቨርስቲ ደብረ ማርቆስ ሓደ ተምሃራይ ተቐቲሉ","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ደብረ ማርቆስ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨስርቲ ደብረማርቆስ ብዝተፈጥረ ዕግርግር ሓደ ትግራይዋይ ተምሃራይ ተቐቲሉ’ሎ።ካልኦት ሰለስተ ተምሃሮ እውን ብከቢድ ምቑሳሎም እውን መሰኻኽር ዓይንን ሰበስልጣንን ሓቢሮም ኣለው። ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ዝርከቡ ልዕሊ ክልተ ምእቲ ተጋሩ ተምሃሮ ኣብ ኣዳራሽ ብሓለዋ ፖሊስ ፌደራል ከምዝርከቡን ኣብ ዓብይ ስግኣት ከምዝወደቑን ይገልፁ ኣለው።ቪኦኤ ዘዘራረቦም ተምሃሮ ካብቲ ከባቢ ኣውፅኡና ይብሉ ኣለው። ናይቲ ዩኒቨርስቲ ዳይረክተር ርክብ ህዝብን ኮሚኒኬሽንን ኣቶ ጌትነት ደሳለው እቲ ዝወረደ ሓደጋ መንነቶም ዘይተፈልጡ ሰባት ካብ ደገ ኣትዮም ዝፈፀምዎ ዝተዋደደ መጥቓዕቲ እዩ፤ግጭት ኣይነበረን ኢሎም።ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ፖሊስ ዞባ ምብራቕ ኢንስፔክተር ጎበዜ ይርሳው ግን ኣብ መንጎ ተምሃሮ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ግጭት እዩ፤ምስዚ ብዝተኣሳሰረ ዝተጠርጠሩ ሓሙሽተ ተምሃሮ ድማ ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም ምርመራ ይካይድ ኣሎ ኢሎም። መጥቓዕቲ ካብ ዝተፈፀሞም ምስቲ ሓደ ተምሃራይን ካልኦት ተምሃሮ ናይቲ ዩኒቨርስቲን ዝተኻየደ ቃለምልልስ ሓዊሱ መልሲ ናይዝምልከቶም ኣካላት ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/one-student-killed-and-three-others-wounded-in-university-of-debre-markos\/4934631.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ መቐለ አካል ይህነጽ ዘሎ 65ኪ.ሜ. ጽርግያ ዝኾነ 12.5ኪ.ሜ ተዛዚሙ: ተመሪቑ","content":"ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተጀመረ 65 ኪሎሜትር ናይ ከተማ ፅርግያ ይህንፅ ኣሎ:: ብ3.7 ቢልዮን ብር ይህነፅ ዘሎ እዚ መንገዲ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ክዛዘም እዩ:: አካል'ዚ መንገዲ ዝኾነ እቲ 12.5 ኪሎ ሜትሮ መገዲ ኣስፋልት ድማ ሎሚ ተመሪቑ:: ምምሕዳር ከተማ መቐለ ሽፋን መንገዲ ኣስፋልት እታ ከተማ ንምዕባይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 21 ኪሎሜትር መንገዲ ኣስፋልት ክሃንጽ ጀሚሩ:: ሎሚ ዓመት ድማ 44.5 ኪሎሜትር መንገዲ ኣስፋልት ክሃንጽ ጀሚሩ:: ብሱር ኮንስትራክሽን ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ዝተሃነፀ ኣካል እቲ ፕሮጀክት ዝኾነ 12.5 ኪሎሜትር መንገዲ ኣስፋልት መሪቖም ዝኸፈቱ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ\/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብፅሬት: ቅልጣፈን ዝሓሸ ዋጋን ተፈፂሙ ኢሎም:: እቶም ይህነፁ ዘለዉ መንገድታት ነታ ከተማ ብዙሓት መማረፂ መንገድታት ክህልዉዋ ዝገብሩ እዩ ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን በዚ ድማ ዓበይቲ ከተማታት ክህልወን ዝግባእ መንገዲታት መቐለ ትውንን ኣላ ኢሎም:: ስራሕ መንገዲ ኣስፋልት መቐለ ንቀፃሊ ዕብየት እታ ከተማ መሰረት ዘንብር እዩ ድማ ኢሎም :: ዶክተር ደብረፅዮን እቲ መንገዲ ኣስፋልት ፍርያት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኢዩ ክብሉ ድማ ተዛሪቦም። እቲ ሎሚ ዝተመረቐ 12.5 ኪሎ ሜትር መንገዲ 4.5 ኪሎ ሜትሮ ካብ መወዳእታ ታክሲ 18 ክሳብ ደብሪ ድንጉር፣ 1.8 ኪሎሜትር ካብ ዕዳጋ ብዕራይ ክሳብ መንደር ዳያስፖራ፣ 3.5 ኪሎ ሜትሮ ካብ ዩኒቨርሲቲ መቐል ቐፅሪ ዓዲ ሓቂ ክሳብ ኢንዳስትሪ ፓርክ፣ 2.6 ኪሎሜትር ድማ ካብ ጎደና ዘስላሰ ክሳብ ቀበሌ 06 ዝሸፈነ እዩ። ምክትል ከንቲባ ከተማ መቐለ ኢንጅነር ኣርኣያ ግርማይ እቲ ሎሚ መዓልቲ ንምምራቕ በቒዑ ዘሎ መንገዲ ኣስፋልት ሓዊሱ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተጀመሩ 65 ኪሎ ሜትር መንገድታት ኣብታ ከተማ ይህነፅ ከምዘሎ እዚ ድማ 3.7 ቢሊዮን ብር በጀት ከምዝወስድ ገሊፆም:: ዝተመረቑን ኣብ ህንፀት ዝርከቡ መንገዲታትን ናብ ከተማ መቐለ ንዝኣትዋ ገጠር ከባብታት ዘራኽብ ከምዝኾነ እውን እዮም ተዛሪቦም። እታ ከተማ ካልእ ብመንግስቲ ፌደራል ይስርሑ ዘለው 37 ኪሎሜትር መንገዲ ኣስፋልት እውን ስራሕቶም ይዛዘም ምህላው ኢንጂነር ኣርኣያ ተዛሪቦም:: እዞም መንገድታት ህንፀቶም ምስተዛዘሙ ሽፋን መንገዲ ኣስፋልት ከተማ መቐለ ብሰለስተ ዕፅፊ ከዕብዮ እዩ ኢሎም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8B%AD%E1%88%85%E1%8A%90%E1%8C%BD-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%98%E1%88%8E-65%E1%8A%AA-%E1%88%9C-%E1%8C%BD%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%8B%AB-12-5%E1%8A%AA-%E1%88%9C-%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%99-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%AA%E1%89%91\/4934421.html"} {"headline":"'ህዝቢ ትግራይን ሕወሓትን ኣብ ናጽነት ኤርትራ ዘይቅየር መርገጽ`ዩ ዘለዎም' ዶ\/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል","content":"ምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ\/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ህዝቢ ትግራይን ሕወሓትን ኣብ ናጽነት ኤርትራ ዘይቅየር መርገጽ`ዩ ዘለዎም ክብሉ በቲ ሎሚ ዝኽበር ዘሎ መበል 28 ዓመት ጽንብል ናጽነት ኤርትራ እንኳዕ ኣብጽሓኩም ኢሎም። ዶ\/ር ደብረ-ጽዮን ብምኽንያት ዝመጽእ ሰሙን ዝዝከር ግንቦት 20 ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ግንቦት 20 እንዝክሮ፡ ኢትዮጵያ ካብ`ቲ ኣትያቶ ዘላ ጸገም ንምውጻእ ጻዕሪ ኣብ ዘድልየሉ እዋን`ዩ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%88%95%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%93%E1%8C%BD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%85%E1%8B%A8%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%8C%88%E1%8C%BD-%E1%8B%A9-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%8C%BD%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%9A%E1%8A%AB%E1%8A%A4%E1%88%8D\/4931572.html"} {"headline":"መበል 28 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ተዘኪሩ ውዒሉ","content":"ኣብ ውሽጥን ወፃእን ሃገር ዝርከቡ ኤርትራዊያን መበል 28 ዓመት በዓል ነፃነቶም የኽብሩ ኣለው። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሎሚ ኣብ ስታድየም ኣስመራ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ቴማ ጽንብል ናጽነት 2019፡ ድርብ ጽንዓት ንዝለዓለ ዕብየት ዝብል`ዩ -ምኽንያቱ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብፍሉይ ጽንዓቱ ዳግም ተዓዊቱ መሰስ ዝበለሉ ታሪኻዊ መላግቦ ስለ ዝኾነ እዩ ኢሎም። ኣተሓሒዞም ዋና ትኹረትና ነዚ ዘለና ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ናብ ዘመናውን ምዕቡል ኢንዱስትሪያዊ ቁጠባ ንምቕያርን፡ ኣብ ዓይነት ህይወት ህዝብና ነባሪ ዝኾነ ለውጢ ምምጻእን`ዩ ኢሎም። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ናይ እንዃዕ ኣብፅሐኩም መልእኽቲ ልኢኾም።ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብ መልእኽቶም ንዓመታት ተቋሪፁ ዝፀንሐ ርክባት ክልቲአን ሃገራት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሓባራዊ ምትእምማንን ድልየትን ምቕፃሉ ዝተሰምዖም ታሕጓስ ገሊፆም። ናይ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ እውን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ልኢኸን።ናይ ሶማሊያ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ናይ እንኳዕ ኣብፅሐኩም መልእኽቲ ልኢኾም፤ኣብ መንጎ ሃገሮምን ኤርትራን ዘሎ ርክብ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክብ ከምዝብል ዘለዎም እምነት ገሊፆም። ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን እውን ንህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ እንዃዕ ኣብፅሐኩም መልእኽቲ ኣሒልፎም ኣለው። ምስዚ ብዝተሓሓዝ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ወሲኽካ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝቃወሙን ዝድግፉን ሰልፍታትን መደባትን ክካየዱ ውዒሎም ኣለዉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%A0%E1%88%8D-28-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%8A%93%E1%8C%BD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%8A%AA%E1%88%A9-%E1%8B%8D%E1%8B%92%E1%88%89\/4931565.html"} {"headline":"ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ 290 ስደተኛታት ካብ ምብራቓዊ ገማግም ትሪፖሊ ምድሓኖም ገሊጾም","content":"ወሃቢ ቃል ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ 290 ስደተኛታት ካብ ምብራቓዊ ገማግም ከተማ ትሪፖሊ ዝሓለፈ ሰሙን ምድሓኖም ገሊጾም። ምዕራባዊ ገማግም ሊብያ ቀንዲ መበገሲ ናብ ኣውሮጳ ዝሰግሩ ስደተኛታት ምዃኑ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ወሲኹ ሓቢሩ'ሎ። ወሃቢ ቃል ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣዩብ ቃሲም 87 ስደተኛታት ካብ ገማግም ቃራቡሊ ኣብ ንእሽተይ ጀልባ ተጻዒኖም ከምዝተረኽቡ ካልኦት 203 ድማ ኣብ ገማግም ዚታን ኣብ ክልተ ጀላቡ ከምዝተረኽቡ ገሊጾም። እቶም ስደተኛታት ናብ ኮማስን ጃንዙርን ዝተባህሉ ክልተ ከተማታት ዝርከቡ ማእከል ስደተኛታት ከምዝተወስዱ ተፈሊጡ'ሎ። ካብቶም ስደተኛታት ሸውዓተ ደቂ ኣንስትዮን ሓደ ህጻንን ዝርከብዎም ምዃኑ ተሓቢሩ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%88%88%E1%8B%8B-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%88%8A%E1%89%A5%E1%8B%AB-290-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%89%93%E1%8B%8A-%E1%8C%88%E1%88%9B%E1%8C%8D%E1%88%9D-%E1%89%B5%E1%88%AA%E1%8D%96%E1%88%8A-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%93%E1%8A%96%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/4931313.html"} {"headline":"ምርኢት ካርኒቫል ንዝኽሪ መበል 28 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ","content":"ብምኽንያት ጽባሕ ዓርቢ ዝዝኸር መበል 28 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ትማሊ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ፡ ናይ ካርኒቫል ምርኢት ተኻይዱ ኔሩ። እቲ ምርኢት ንዝሓለፈ ሰንሰለት ታሪኽ ቃልሲ ኤርትራን፡ ኣብ`ዚ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ዝተፈጥረ ናይ ሰላም ሃውህውን ዘንጸባርቕ ከም ዝነበረ፡ ኣቶ እንድርያስ ኣስመሮም፡ ኣቦ-መንበር ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት ዞባ ማእከል ሓቢሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%A2%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%88%AD%E1%8A%92%E1%89%AB%E1%88%8D-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%88%98%E1%89%A0%E1%88%8D-28-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%8A%93%E1%8C%BD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB\/4930041.html"} {"headline":"ቤት ምኽሪ ሚንስትራት ኢትዮጵያ ሓድሽ ረቒቅ ሕጊ ጸረ ሽብር ኣጽዲቑ","content":"ብናይ ኢትዮጵያ ቤት ምኽሪ ሚንስትራት ዝፀደቐ ሓድሽ ረቂቕ ሕጊ ፀረ-ሽብር ናብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ተመሪሑ።እቲ ሓድሽ ሕጊ ተግባራት ግብረሽበራ ንምክልኻል ጥራሕ ዘይኮነስ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ዝሕሉ’ውን እዩ ተባሂሉ’ሎ። ቤት ምኽሪ ሚንስትራት ኣብ መበል 68 ስሩዕ ኣኼብኡ ዘጽደቖ ሓድሽ ረቂቕ ሕጊ ፀረ ሽብር ዝተወሰነ ምምሕያሻት ብምውሳኽ ናብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣሒሉፉዎ’ሎ። ኣብ ትሕቲ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ናይ ዝተመስረተ ኣርቃቒ ሕጊ ጉጅለ ኣቦ መንበር ኣቶ ኣምሃ መኮነን እቲ ረቂቕ ሕጊ ካብቲ ቅድሚ ሎሚ ዝነበረ ብብዙሕ መልክዑ ዝተፈለየ እዩ ኢሎም። ዕላማ ቅድሚ ሎሚ ናይ ዝነበረ ሕጊ ንዜጋታት ካብ ሽብር ምሕላውን ምክልኻልን ከምዝነበረ ብምግላፅ ናይ ሎሚ ግን ኣተሓሕዛ ብሽብር ናይ ዝጥርጠሩ ሰባት ከምኡ እውን መስርሕ ኽሲ ዓለምለኸ ደረጅኡ ዝሓለወ እዩ ኢሎም። “ናይቲ ሕጊ ዕላማ ንሽብር ምልክልኻል ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ዜጋታት መሰላት ምኽባርን ክኽበር ምግባርን ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ።” መሰል ንምሕታት ዝካየድ ተቓውሞ፣ሰልፊ፣ኣኼባ ብገበን ሽበራ ከምዘየሕትትን ሽብር ክፍፀም ወይ እናተፈፀመ ምዃኑ ዘረጋግፅ እንተድኣ ዘይኮይኑ ጋዜጠኛታት፣ሓካይምን ዝኣመሰሉ ኣካላት ብሕጊ ዝሓዙዎ መረዳእታ ንሳልሳይ ወገን ኣሕሊፎም ንምሃብ ከምዘይግደዱ ብግልፂ ተቐሚጡ’ሎ ኢሎም። ዕጥቓዊ ቓልሲ ዘካይዱ ኣካላት ሽብርን ዕጥቓዊ ቓልስን ክሳብ ዘይሓዋወሱ ብናይ ጄኔቫ ኮንቨንሽን እምበር ብገበን ሽብር ኣይሕተቱን ኢሎም። ኣብስራሕ ዘሎ ሕጊ ኣፈፃሚ ኣካል ንዝኾነ ይኹን ጉጅለ ኣሸባሪ ኢሉ ንምምዳብ ናብ ፓርላማ ኣቕሪቡ ከፅድቕ ነይሩዎ።በዚ ሓድሽ ሕጊ ግን “ካብቲ ናይ ቅድሚ ሎሚ ኣዚዩ ፍሉይ ዝገብሮ ብሽበራ ክምደብ ዝተኸሰሰ ውድብ ርእይትኡ ከስምዕ ዕድል ክውሃቦ ከምዘለዎ ተቐሚጡ’ሎ።ብሽብር ምስተመደበ እውን እቲ ምደባ ክልዓለሉ ዘመልክተሉ ስርዓት ተዳልይሉ’ሎ።ይልዓል ኢሉ ዝሓትት ድማ እቲ ውድብ ጥራሕ ዘይኮነስ ዝኾነ ይኹን ሰብ ከልዕሎ ይኽእል።” ኣቶ ኣምሃ መኮነን ብተወሳኺ እቲ ረቂቕ ሕጊ ኮይኑ ንክወፅእ ዝተረፎ እዋን ሓፂር እዩ።ኣብ ግብሪ ክውዕል ግን ብኣካላት ፈፀምቲን ተርጎምትን ሕጊ ዝለዓለ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ከምዘድልይ ገሊፆም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%88%A8%E1%89%92%E1%89%85-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8C%B8%E1%88%A8-%E1%88%BD%E1%89%A5%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%8C%BD%E1%8B%B2%E1%89%91\/4930024.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ዓበይቲ ዓዲ ብዛዕባ ሰላም፡ፍቕርን ዕርቅን ንህዝቢ ክምህሩ ፀዊዖም","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ዓበይቲ ዓዲ ኣብ ከባቢታቶም ምስ ዝርከቡ ኣካላት ምምሕዳር ብምዃን ብዛዕባ ሰላም፣ፍቕርን ዕርቅን ንህዝቢ ክምህሩ ፀዊዖም። ንሶም ነዚ ዝበሉ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እዮ። ነቲ ጉባኤ ሰናይ ድልየቶም ብምግላፅ ቤተ ክህነት ፅንዕቲ፣ካብ ብልሽውና ዝነጽሃትን ግልፅነት ዘለዋን ትካል ክትኸውን ኣለዋ ክብሉ እውን ሓቢሮም። ኣብ መወዳእታ መዓልታት ፆም ረመዳን ህዝበ ክርስቲያን ንመሳጊድን ከባቢኦምን ብምፅራይ ሓድነትቶም ክገልፁ እውን ፀዊዖም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8B%93%E1%89%A0%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%8B%93%E1%8B%B2-%E1%89%A5%E1%8B%9B%E1%8B%95%E1%89%A3-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8D%8D%E1%89%95%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%8B%95%E1%88%AD%E1%89%85%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%A9-%E1%8D%80%E1%8B%8A%E1%8B%96%E1%88%9D\/4928200.html"} {"headline":"ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ ን7029 እሱራት ብይቕሬታ ምፍትሑ ኣፍሊጡ","content":"ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ ን7029 እሱራት\/ተአረምቲ\/ ብይቕሬታ ምፍትሑ ኣፍሊጡ።ናይቲ ክልል ምኽትል ምምሕዳር ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ እቶም እሱራት ይቕሬታ ዝተገብረሎም ብዘርኣይዎ ናይ ስነ ምግባር ምምሕያሽ ምዃኑ ገሊጾም። ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ፣ቆልዑት፣ንሰባት ብብዝሒ ዝቐተሉን፣ኣእዋም ዘብረሱን ግን እቲ ምሕረት ከምዘይምልከቶም ኣቶ ሽመልስ ወሲኾም ገሊጾም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8A%957029-%E1%8A%A5%E1%88%B1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%AD%E1%89%95%E1%88%AC%E1%89%B3-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%91-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4928184.html"} {"headline":"መበል 10ይ ጉባኤ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ተቓኒዑ","content":"ን3 መዓልታት ክካየድ ዝቀነየ መበል 10ይ ጉባኤ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ሰሉስ 13 ግንቦት 2011 ዓ.ም ተዛዚሙ። ኣብ መክፍቲ ስነ ስርዓት ዝተረኽቡ ምክትል ርእስ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል “ሓይልታት ድሕረት ዝጀመርናዮ ጉዕዞ ህዳሰ ክኾልፉ ሕገ መንግስታዊ ፌደራላዊ ስርዓትና ኣፍሪሶም ኣሃዳዊ ስርዓት ንምትካል ዝተዋደደ ዓብዪ ወፍሪ ኣብ ምክያድ ይርከቡ” ኢሎም። እቲ ካብ 11 -13 ግንቦት 2011 ንሰለስተ መዓልታት ክካየድ ዝፀንሐ ጉባኤ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ትምእርተ ፅንዓት ብዝብል መሪሕ ቃል እዩ ተሰንዩ ተካይዱ። ኣብቲ ጉባኤ ኣደ መንበር ቦርድ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዝኣብሄር እውን ተረኪበን መክፈቲ መደረ ኣስሚዐን እየን። ንምሉእ ትሕዝትኡ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%A0%E1%88%8D-10%E1%8B%AD-%E1%8C%89%E1%89%A3%E1%8A%A4-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8B%B0%E1%89%82-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AE-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8A%92%E1%8B%91\/4928118.html"} {"headline":"ህብብቲ ኮመዲያዊትን ተዋሳኢትን ኣሜሪካዊት ቲፋኒ ሓድሽ ኤርትራዊ ዜግነት ተቀቢላ","content":"ህብብቲ ኮመዲያዊትን ተዋሳኢትን ኣሜሪካዊት ቲፋኒ ሓድሽ ሎሚ ኣብ ኣስመራ፡ ኤርትራዊ ዜግነት ከምዝተዋህባ ህዝባዊ ርክባት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣሜሪካ ወ\/ሮ ሓድነት ቀለታ ኣብ ናይ ትዊተር ገጻ ሓቢራ’ላ። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ: ካብ ኤርትራዊ ኣቦ እትውለድ ቲፋኒ ሓዲሽ: ንኤርትራዊ ዜግነት ኣመልኪታ…ተቐባልነት ከምዝረኸበትን ኤርትራዊ መንነት ወረቐት ከምዝረኸበትን ተፈሊጡ’ሎ። ቲፋኒ ሓድሽን ካልኦት ኣመሪካውያን ብጾታን ኣብ`ቲ ድሕሪ ጽባሕ ዓርቢ ዝጽንምበል መበል 28 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ንምስታፍ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣስመራ ምእታዎም ይፍለጥ። ቲፋኑ ሓዲሽ ትመርሖም ኣባላት ኣስመራ ክኣትዉ ከለዉ፡ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኤርትራ ዘመደ ተኽለ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ከም ዝተቐበሎም፡ እቲ ተመሳሳሊ ሓበረታ የመልክት። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%89%A5%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%8A%AE%E1%88%98%E1%8B%B2%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8B%8B%E1%88%B3%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%89%B2%E1%8D%8B%E1%8A%92-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%9C%E1%8C%8D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%A8%E1%8A%BA%E1%89%A3\/4928038.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምብራቕ ጉጂ ወረዳ ጎራ ብዝተፈጥረ ግጭት 7 ሰባት ምሟቶም ነበርቲ ገሊጾም","content":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምብራቕ ጉጂ ወረዳ ጎራ ዶላ ከባቢ ሙጮ ትማሊ ሶኑይ ብዝተፈጥረ ግጭት ሓደ ኣባል ሓይልታት ምክልኻል ሓዊሱ ሸውዓተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ነበርቲ ገሊፆም።እቲ ወታሃደር ዝተቐትለ ኣብቲ ከባቢ ብዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ኮይኑ እቶም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ድማ ንሽዱሽተ ሰባት ከምዝቐተሉ ነበርቲ ገሊፆም። ምምሕዳር ወረዳ ጎሮ ዶላ እውን ሸውዓተ ሰባት ምሟቶም ኣረጋጊፁ’ሎ።መንቀሊ ናይቲ ግጭት ኣብቲ ከባቢ ብሽም ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል ብዝወሰዱዎ ስጉምቲ ምዃኑ ብምግላፅ ብዛዕባ ዝተቐትሉ ሰባት ድማ ምርመራ ይካይድ ከምዘሎ እቲ ምምሕዳር ሓቢሩ’ሎ። ነበርቲ ናይቲ ከባቢ እቲ ውጥሪ ሕጂ እውን ከምዝቐፀለ ክገልፁ ከለው ናይቲ ወረዳ ምምሕዳር ግን ዘተሓሳስብ ነገር የለን ይብል። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9A%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%89%95-%E1%8C%89%E1%8C%82-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B3-%E1%8C%8E%E1%88%AB-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%A8-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-7-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/4926784.html"} {"headline":"ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ወከልቲ ተቓዋሚ ውድብ ኣዋጅ ናጽነትን ለውጥን ሱዳን ተራኺቡ፡ተዘራሪቡ","content":"ሓደ ላዕላዋይ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ካርቱም ምስ ወከልቲ ተቓዋሚ ውድብ ኣዋጅ ናጽነትን ለውጥን ሱዳን ተራኺቡ። እቲ ብሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ፡ ኣብ ሱዳን ዝመጸ ለውጢ፡ ንረብሓ ሰላም፡ ህድኣትን ምዕባለን ከገልግል ዘለዎ ትምኒት ከም ዝገለጸን፡ ካብ ኣባላት ተቓዋሚ ውድብ ለውጢ ሱዳን ድማ፡ ምስ ኤርትራ ክህልው ዝደልይዎ ርክብን፡ ዛጊት ምስ ወታሃደራዊ ቤት-ምኽሪ ሱዳን ዘካይድዎ ዘለዉ ልዝብን መብርሂ ከም ዝሃቡ- መርበብ ሓበሬታ መንግስቲ-ሻባይት ሓቢራ። እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ፡ ዝሓለፈ ቀዳም ሱዳን ከም ዝኣተወን፡ ብእኡ ንብእኡ ምስ ሓላፊ መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት-ምኽሪ ሱዳን ሌ\/ተ ጀነራል ዓብዱል-ፈታሕ ኣል-ቡርሃን፡ ከምኡ ድማ ምስ ምኽትል`ቲ ቤት-ምኽሪ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ከም ዝዘተየን፡ ምሕዝነት ክልቲኣን ሃገራት ናብ`ቲ ዝነበሮ ንምምላስ ከም ዝተሰማምዑን፡ እቲ ናይ ኤርትራ መንግስታዊ ሜድያ ጸብጺቡ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%88%E1%8A%A8%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8B%E1%88%9A-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%8C%85-%E1%8A%93%E1%8C%BD%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%88%E1%8B%8D%E1%8C%A5%E1%8A%95-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A1-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A1\/4926693.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ቀረብ ኤለክትሪክ ብሪጋ ክዕደል ምጅማሩ ተገሊጹ","content":"ኢትዮጵያ ብሰንኪ ምጉዳል ዓቐን ማይ ኣብ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌትሪክ’ታ ሃገር ንዘቤታዊን ኢንዳስትርያዊን ኣገልግሎት ኤሌትሪክ ብፈረቓ ምሃብ ምጅማራ ሚንስትር ማይን ጸዓትን ኣቶ ስለሺ በቀለ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ገሊጾም። ንሶም ወሲኾም ንሓደ ሲሶ ካብቲ ነታ ሃገር ካብ ዘድሊ 1,400 ሜጋዋት ሓይሊ ኤሌትሪክ ዘመንጭው ግልገል ጊበ ሳልሳይ ሕጽረት 476 ሜጋዋት ከምዘጋጠሞ ሓቢሮም። ኣቶ ስለሺ ኢትዮጵያ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳንን ጅቡቲን ትልእኾ ዝነበረትን ኣብ ዓመት 82 ሚልዮን ዶላር አታዊ ዘርክበላ ዝነበረን ሰደድ ሓይሊ ኤሌትሪክ’ውን ንጊዚኡ ደው ኣቢላቶ’ላ ኢሎም ። እዚ ብፈረቓ ዝውሃብ ኣገልግሎት ኤሌትሪክ ክሳብ ወርሒ ሓምለ ዝጸንሕ እዩ።ዓማዊል ውሽጢ ሃገር ኣብ መዓልቲ ንገለ ሰዓታት ኣገልግሎት ኤሌትሪክ ከምዘይረኽቡን ኣብ ፍርያት ሓጺንን ሲሚንቶን ዝተዋፈራ ትካላት ድማ ናይ ስራሕ ሰዓተን ከምዘጉድላን ኣቶ ስለሺ ኣብሪሆም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%8C%E1%89%B5%E1%88%AA%E1%8A%AD-%E1%89%A5%E1%8D%88%E1%88%A8%E1%89%93-%E1%88%9D%E1%88%83%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8C%85%E1%88%9B%E1%88%AB-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4924684.html"} {"headline":"ኣኼባ ሓባራዊ ዶብ ኢትዮ ኬንያ ተዛዚሙ","content":"ኣብ ሞምባሳ ኬንያ ክካየድ ዝቐነየ ኣኼባ ሓባራዊ ዶብ ኢትዮ ኬንያ ተዛዚሙ።ካብ 5 ግንቦት 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ወኪላት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተሳተፍሉ ኣኼባ ኣብ ናይ ሓባር ዶባ ክልቲኣን ሃገራት ዝርከቡ ምልክታት ንምሕዳስ ምስምምዖም ኣብ ኬንያ ናይ ኢትዮጵያ ኣማባሳደር መለስ ኣለም ገሊፆም። ዝተላዕሉ ምልክታት ንዘለዎም ቦታታት ብዝምልከት ናይ ዳህሳስን ዳግመ ምትካልን ስራሓት ንምክያድ ከምዝተዘራርቡን፡ ህዝቢ ድማ ሓድሽ ዝስራሕ ዘሎ ናይ ዶብ ምምልካት ከይመስሎ ናይ ምምሃርን ስራሕ ክስራሕን ምስ ኣፀጋምነት እቲ ከባቢ ሓለዋን በጀትን ብዝምልከት እውን ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ’ሎ ኢሎም። ኣምባሳደር መለስ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት በብሓሙሽተ ዓመታት ምልክታት ዶብ ክካይድ ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ 1970 ምስምምዐን ወሲኾም ሓቢሮም። ንኢትዮጵያን ኬንያን ካብ ዘዋስን 890 ኪሎ ሜትር ዶብ 625 ናይ ዶብ ምልክታት ተተኺሎም እንተነበሩ እውን ሎሚ መብዛሕቲኦም ጠፊኦም 55 ጥራሕ ኣብ ቦትኦም ከምዘለው ኣምባሳደር መለስ ገሊፆም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%8A%BC%E1%89%A3-%E1%88%93%E1%89%A3%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%B6%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE-%E1%8A%AC%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%99\/4922119.html"} {"headline":"መቐለ፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ክልል ትግራይ ምስ ሰበስልጣን ክልልን ፈደራልን ተዘራሪቦም","content":"ሰብ ሞያ ጥዕና ክልል ትግራይ ምስ ሰበስልጣን ክልልን ፌደራልን ሎሚ ዓርቢ ኣብ ከተማ መቐለ ዘተ አካይዶም።ኣብ ፌደራል ዝውሰን ኣባና ኣይፍፀምን ኢሎም ንዝተሓተቱ ሰብ ሞያ ጥዕና መልሲ ዝሃቡ ምኽትል ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶ\/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብፌደራል ዝተወሰኑ ኩሎም ክንፍፅሞም ኢና ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%9E%E1%8B%AB-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%B0%E1%89%A0%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/4922068.html"} {"headline":"ኤርትራ: ንዓይነ-ስውራን እትሕግዝ ናይ ፈለማ ግእዝ መንበቢት ሶፍትዌር","content":"ክብሮም ገ\/ኣብ ዝተባህለ ኤርትራዊ ዓይነ-ስውር፥ኣብ መዓልታዊ ስርሑ ንዘጋጥሞ ጸገማት ንምፍታሕን ካብ ጽግዕተኛነትን ንምንጋፍ ድሕሪ ዝገበሮ ሓያል ጻዕሪ፡ብዓይነታ ናይ ፈለማ ዝኾነት ንዓይነ-ስውራን ትሕግዝ ናይ ግእዝ መንበቢት ሶፍትዌር ኣማዕቢሉ ንተጠቀምቲ ብነጻ ዘርጊሑ። ዓይነ-ስውር ክብሮም ብዓውደ-ትምህርቲ ታሪኽ ተመሪቑ ኣብ ማእከል ስነዳን ምርምርን ኤርትራ ከም ክኢላ ኣርካይቭ ኣብ ምስራሕ ዝርከብ መንእሰይ’ዩ።እዛ ናይ ግእዝ መንበቢት ሶፍትዌር፡ ዓይነ-ስውራን ኩሉ ዓይነት ናይ ቤ\/ጽ ስርሓት ይኹን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ብግእዝ ንክግልገሉ እትሕግዝ ምዃና’ዩ ሰራሒኣ ዓይነ-ስውር ክብሮም ገ\/ኣብ ይዛረብ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%95%E1%8B%93%E1%8B%AD%E1%8A%90-%E1%88%B5%E1%8B%8D%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A5%E1%89%B5%E1%88%95%E1%8C%8D%E1%8B%9D-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8D%88%E1%88%88%E1%88%9B-%E1%8C%8D%E1%8A%A5%E1%8B%9D-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%89%A2%E1%89%B5-%E1%88%B6%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%8B%8C%E1%88%AD\/4920489.html"} {"headline":"ጸረ ዘይመንግስታዊ ትካላት ዝዓለመ ፖሊስን ሕግን ኣብ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ይረአ ምህላው ፍሪደም ሃውስ ገሊጹ","content":"መንግስታት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሃገራት ኣፍሪቃ ምንቅስቓስ ዘይመንግስታዊ ትካላት ወይ ስቪል ማሕበረሰባትን ዝድርት ሕጊ ወይ ፖሊስ ይትግብሩ ከምዘለው ፍሪደም ሃውስ ዝተባህለ ትካል ዘውፅኦ ሓድሽ ፀብፃብ ሓቢሩ። ኣብ ዋሽንግተን ዝመደብሩ ፍሪደም ሃውስ ዝተባህለ ትካል ትማሊ ሶሉስ ናይ ዘውፅኦ ፀብፃብ ፀሓፊ ጋድፍረይ ሙሲላ ንምቅስቓስ ዘይመንግስታዊ ትካላት ዕንቅፋት ምፍጣር ትካላት ስቪል ማሕበረሰብን ዜጋታትን ክውደቡን መንግስታት ንሰብኣዊ መሰላት ሓለዋ ኣብ ምግባርን ኣሉታዊ ፅልዋ ኣለዎም ይብሉ። \"ናፃነት ኣብ ትሕቲ ስግኣት፡ምስፍሕፋሕ ፀረ ዘይመንግስታዊ ትካላት ኣብ ኣፍሪቃ’’ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ካብ 2004 ጀሚሩ ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላትን ምሕደራን ዝሰርሑ ዘይመንግስታዊ ትካላት ምንቅስቓሶም ንምድራት ዝተገብሩ ስርሓት ፈቲሹ’ሎ። ኣብ ኣልጀሪያ፣ብሩንዲ፤ግብፂ፣ኢትዮጵያ፣ሩዋንዳ፣ሲየራ ሊዮን፣ደቡብ ሱዳን፣ሱዳን፣ታንዛኒያ፣ኡጋንዳን ዛምቢያን ናይ ወፃኢ ሰራሕተኛታትን ፋይናንሳዊ ረድኤትን ዝድርት ዝተሓላለኸ ናይ ምዝገባ ኣሰራርሓ ምትእትታው እቲ ጸብጻብ ይሕብር። ኢትዮጵያ ካብ ለካቲት ጀሚሩ እቲ ደረት ኣመሓይሻቶ ኣላ።ኣብ ገለ ሃገራት ድማ ስጉምትታት ፀረ ዘይመንግስታዊ ትካላት ገና መዕለቢ ኣይረኸበን።ኣብ ሽዱሽተ ሃገራት ማለት እውን ኣንጎላ፣ኮንጎ ብራዛቪል፣ኬንያ፣ማላዊ፣ናይጀሪያን ዚምባቤን ድማ ብፈፃሚ ኣካል ዝወፀ ሕጊ ብቤት ፍርዲ ተነፂጉ ወይ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ኮይኑ’ሎ። ሪፖርት ፍሪደም ሃውስ ኣብዚ ምንባብ ይክኣል። ኢትዮጵያ ኣብ 2009 ኣብ ልዕሊ ምንቅስቓስ ተሓለቕቲ መሰላት ደረት ኣንቢራ እንተነበረት፡ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሚያዚያ 2018 ኣናብ መዝነት ካብ ዝመጹ ግን እቲ ደረት ፍኹስ ኢሉ እዩ።ናይታ ሃገር ረቂቕ ኣዋጅ ስቪል ማሕበረሰብ ርእይቶታት ዘይመንግስታዊ ትካላትን ህዝብን ሒዙ ኣብ ለካቲት ወፂኡ’ሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ዳይረክተር USAID ለስሊ ሪድ ብስቪል ማሕበረሰባት ተቐባልነት ንዝረኸበ ፖለቲካዊ መግለፅታት ኣፅቢቕና ንድግፎ ኢና ኢለን። ነዚ ፀብፃብ ዝፀሓፉ ሙሲላ ጉጅለታት ስቪል ማሕበረሰብ ንእገዳ ብሕጊ ክገጥሙዎን መንግስታት ድማ ንናይ ምእካብን ሓሳባት ብነፃነት ምግላፅን መሰላት ከኽብሩን ምዒዶም ኣለው። ኣሜሪካ፣ሕብረት ኣውሮጳን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ሓገዝ ክህቡ ከለው ብዛዕባ እዞም እገዳታት እናልዓሉ ፀቕጦም ከሐይሉ ፍሪደም ሃውስ የተባብዕ ክብሉ ሓቢሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%B8%E1%88%A8-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%98-%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5%E1%8A%95-%E1%88%95%E1%8C%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%88%E1%88%88-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%8A%A0-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%8B%B0%E1%88%9D-%E1%88%83%E1%8B%8D%E1%88%B5-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4918870.html"} {"headline":"ዋዕላ ቁጠባዊ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ተኻይዱ","content":"ቁጠባ ኢትዮጵያ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክብ ንምባልን ፍሰት መዋእለ ንዋይ ኣሜሪካ ንምስላጥን ዝዓለመ ንኽልተ መዓልታት ዝፀንሕ ጉባኤ ሽርክነት ኢትዮጵያ ኣብ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ይካየድ ኣሎ። እዚ ዋዕላ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ዝጀመረቶ ምምሕያሽ ቁጠባን ዕድላት ንግድን ወፍሪን ንምፍላጥ ዝተሓሰበ ምዃኑ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ’ሎ። ብመንግስቲ ኣሜሪካ ሓሓሊፉ ዝዳለውን ካብ ሃገራት ዓለም ኣብ ሓንቲ ሃገር ጠሚቱ ኣብ ዝካየድን መድረኽ ዝተረኸቡ ኣማኻሪ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣርከበ ዑቕባይን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ፍፁም ኣረጋን ኣብታ ሃገር ይካየዱ ብዛዕባ ዘለው ለውጥታትን ንውልቂ ኣውፈርቲ ይኸፈቱ ዘለው ዓውድታትን ዝምልከት መብርሂ ሂቦም። ኣብ ሕርሻ፣መሰረት ልምዓት፣ፅዓት፣ናይ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ፣ኣፍራይ ኢንዱስትሪታትን ዓውዲ ኣገልግሎትን ዕድላት ምኽፋቶምን ዓንቀፍቲ ሕግታት እውን ይመሓየሹ ከምዘለውን ገሊፆም። ኣብ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ ኢትዮጵያ እተካይዶ ንዘላ ለውጢ ንኢዶም። ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክ ረይነር ብወገኖም ኢትዮጵያ ቁጠብኣ ንክተዕብን ክተሰጋግርን ዝሓዘቶ መንገዲ ዕዉት ክኸውን ሃገሮም ከም እትሕግዝ ገሊፆም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8B%E1%8B%95%E1%88%8B-%E1%89%81%E1%8C%A0%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%A5%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/4918796.html"} {"headline":"ኤርትራ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ሓምላይ ወፍሪ ተቓኒዑ","content":"ሃገራዊ ዋዕላ ሓምላይ ወፍሪ ኤርትራ፡ “ንደቅና ሓምላይ መሬት ነውርሶም፡ ኣብ ትሕት ዝብል ቴማ፡ ሎሚ ረቡዕ 15 ግንቦት 2019 ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ ተቓኒዑ`ሎ። ኣብቲ ሰበ-ስልጣን መንግስቲን፡ ወከልቲ ኣህጉራውያን ማሕበራትን ወሲኽካ፡ 150 ሰባት ዝተሳተፍዎ ዋዕላ፡ ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርህ፡ ኣብ`ዚ ሕጂ እዋን፡ እቲ ጠንቂ ምብራስ ኣግራብ ኮይኑ ዘሎ በሊሕ ፋስ ዘይኮነስ፡ ጎዲም ኣተሓሳስብ ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ነዚ ንምፍታሕ ዘኽእል ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ክምዕብል ኣተሕሳሲቡ። ኣብ`ቲ ዋዕላ ብዞባታት ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ማዕረ ምትካል ኣግራብ፡ ምብራስ ኣግራብውን ይርአ ስለዘሎ መግትኢ ክግበረሉ ፡ መተካእታ ኣማራጺ ጸዓት፡ ቆጣቢ ጸዓት፡ ከምኡ`ውን ትኪ ኣልቦ ጸዓት፡ ብሰፊሕ ክተኣታተው፡ ከምኡ ድማ ሞት እንስሳ ዘገዳም ይርአ ስለዘሎ ዕቱብ ምቁጽጻር ክግበረሉን ኣራሚ ስጉምቲ ክውሰደሉን ዝብሉ ለበዋታት ቀሪቦም። ምሉእ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%8B%E1%8B%95%E1%88%8B-%E1%88%93%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%8B%AD-%E1%8B%88%E1%8D%8D%E1%88%AA-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8A%92%E1%8B%91\/4918724.html"} {"headline":"ኣብ ዞባታት ዋግህምራን ሰሜን ጎንደርን ለበዳ ውፃእትን ተምላስን ከምዝተልዓለ ተገሊጹ","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባታት ዋግህምራን ሰሜን ጎንደርን ለበዳ ውፃእትን ተምላስን ከምዝተልዓለ ናይ ኢትዮጵያ ኢንስቲቱት ጥዕና ሕብረተሰብ ኣፍሊጡ።እቲ ትካል ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃቦ መግለፂ ለበዳ ኣብ ዝተለዓለሉ ከባቢ ሕክምና ምሃብ ከምዝጀመረን ናይቲ ሕማም መመሓላለፊ ምኽንያታት እዮም ዝተብሃሉ ክልተ ከባቢታት ናይ ምክልኻል ስራሓት ይስራሕ ከምዘሎን ገሊፁ። በቲ ለበዳ ተታሒዞም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝተበሃሉ 174 ሰባት ከምዝተፈለዩ ኣብቲ ኢንስቲቱዩት ምኽትል ዳይረክተርን ኣተሓባብሪ ምክልኻል ሓደጋታት ጥዕናን ዶ\/ር በየነ ሞገስ ገሊፆም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9E%E1%89%A3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%8B%E1%8C%8D%E1%88%85%E1%88%9D%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%88%88%E1%89%A0%E1%8B%B3-%E1%8B%8D%E1%8D%83%E1%8A%A5%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%8D%E1%8B%93%E1%88%88-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4917124.html"} {"headline":"ፕረ. ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ኬንያ ወግዓዊ ምብጻሕ የካይዳ’ለዋ","content":"ሎሚ ሰሉስ ናብ ኬንያ ዝገሻ ናይ ኢትዮጵያ ፕረዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ናይ ኬንያ ፕረዚዳንት ኡሁሩ ኬንያታ ተራኺበን፡ተዘራሪበን። ኣብ ቤተ መንግስቲ ኬንያ ምስ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ብምርኻብ ዝተዘራረባሉ ጉዳይ ብዝምልከት ኣብ ኬንያ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ መለስ ኣለም ከምዚ ኢሎም። “ኣብ ኩለ-መዳይያዊ ርክባት ኢትዮጵያን ኬንያን ከምኡ እውን ሰላም፣ ምርግጋእን ልምዓትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ተዘራሪቦም ኣለው።ዕዉት ዝብሃል ዑደት ኣካይደን ኣለዋ።ነዊሕ ዝፀንሐ ምሕዝነት ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ዝቕፅል ናብ ዝሓሸ ደረጃ ክዓብይን ማሕበራውን ቁጠባውን ርክባት ብዝበለፀ ክሕይልን ብሓባር ንምስራሕ ተረዳዲኦም ኣለው።” ኣምባሳደር ኣለም ብምቕፃል ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከባ ሃገራት ክልቲአን ዝሓሸ ምርግጋእ ዘለወን ስለዝኾና ብዛዕባ ቀፃሊ ኩነታት ፀጥታ ዘትዮም ኣለው ኢሎም ። ፕረዚዳንት ሳህለወቅ ኣብ ኬንያ ምስ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ምዝርራበን እውን ተፈሊጡ’ሎ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%88%B3%E1%88%85%E1%88%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%85-%E1%8B%98%E1%8B%8D%E1%8B%B4-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AC%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%8B%88%E1%8C%8D%E1%8B%93%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8B%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B3-%E1%88%88%E1%8B%8B\/4917088.html"} {"headline":"ኩነታት ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት","content":"ኩናት-ሕድሕድ ሊብያ : ናብ ዋና ከተማ ትሪፖሊ ገጹ ኣብ ዝግስግሰሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ብርክት ዝበላ መዓስከራትን ኣብያተ-ማእሰርትን ዝርከቡ ኤርትራውያን: ህይወቶም ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ወዲቑ ከምዝርከብ ይገልጹ`ለዉ። ካብ `ሰብዓ` ዝብሃል ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ትሪፖሊ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት ንድምጺ ኣሜሪካ ዝተዛረቡ ስደተኛታት፡ መዓስከሮም ናብ ግንባር ኩናት ከምዝተቐየረን፡ እቲ ብሸነኽ ምስራቕ ዘሎ ብጀነራል ‘ኻሊፋ ሓፍጣር’ ዝምራሕ ሓይሊ፡ ናብ`ቲ ዘለውዎ ገጹ ይቐርብ ከም ዘሎ ይገልጹ። ካብ`ቶም ኣብ `ዚታኒ` ትብሃል ከተማ ዝርከቡ፡ ንድምጺ ኣሜሪካ ዝተዛረቡ ድማ፡ ቅድሚ ሎሚ 19 ሰባት ብሕማም ዓባይ ሰዓል ከምዝሞትዎምን፡ ሸፋቱ እናመጹ ከምዝወስዱሎምን ብምረት ይሕብሩ። ናይ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ነቶም ስደተኛታት ከምዝበጽሕዎም፡ እንተኾነ ግን መግብን ዝስተ ማይን`ኳ ከምዘይረኽቡ፡ እኳ ድኣስ ኣብ` ትሕቲ ገባርን-ሓዳግነትን ሓለውቲ ሊብያ ወዲቖም ከምዝርከቡ ይገልጹ። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከም ደቀንስትዮን ትሕቲ ዕድመን ዝበሉ ብውሑድ ቁጽሪ ናብ ኒጀር ከም ዘገዓዕዝ ዝገልጹ`ዞም ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ ውሑዳት ከምዘለዉ፡ ንሱ`ውን እንተኾነ ናብ ዓድኻ ንኽትምለስ`ውን ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት(IOM) ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሸሞንተ ወርሒ ክወስደልኩም እዩ ተባሂሉ በቲ ትካል ከምዝተነገሮም ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም። ኣብ ትሪፖሊ ዝርከብ ቆንስል ኤርትራ መጺኡና ይፈልጥ`ዩ፡ ግን ናብ ኤርትራ እንተተመለስና ኣብ ኩነታትና ውሕስነት ኣለና ድዩ ኢልና ሓቲትናዮ፡ ኣነ ካብ`ዚ ኣብ ምውጻእኩም`ምበር፡ ኣብ ዓዲ ምስከድኩም ናተይ ሓላፍነት ኣይኮነን ከምዝበሎም ይገልጹ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8A%E1%89%A5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5\/4916996.html"} {"headline":"ኣብ ፓርክ ኢንዳስትሪ መቐለ ኣብ ምፍራይ ኣልባሳት ዝተዋፈረ ኩባንያ ኬይ ፒ ኣር ተመሪቑ","content":"ኣብ ፓርክ ኢንዳስትሪ መቐለ ኣብ ምፍራይ ኣልባሳት ዝተዋፈረ ኩባንያ ኬይ ፒ ኣር ናብ ስራሕ ብምእታው ዛጊድ ብኽልተ ዙር ልዕሊ 200 ሽሕ ኣልባሳት ናብ ወፃኢ ሰደድ ከምዝገበረ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ምረቓ ተሓቢሩ። እቲ ፋብሪካ ንልዕሊ 700 መናእሰይ ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ ኣሎ። ብ2.5 ሚልየን ዶላር መበገሲ ካፒታል ስራሕ ዝጀመረ ኩባኒያ፥ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣብ ትግራይ ቁጠባዊ ስግግር ንምምፃእ ብኢንዳስትሪ ክምራሕ ኣለዎ ኢሎም:: ሎሚ ዝተመረቐ ፋብሪካ ኣልባሳት ኬይ ፒ ኣር ናብ ኣሜሪካ ብቐጥታ ሰደድ ዝገብር እዩ እቲ ስራሕቲ ንምስፉሕ ድማ ድልየት ከምዘለዎ'ውን ገሊጾም:: ብፍላይ ምስ ኤርትራ ዝተፈጠረ ሰላም እውን ወፍሪ ኣብ ምስሓብ ግደ የብርክት ኣሎ:: ኣብ ዓውዲ መዓድን ሰብ ሃብቲ ክሳተፉ ጻውዒት ዘቕረቡ ዶክተር ደብረፅዮን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ብዓይነቱ ዝተፈላለየ ነዳዲ ኣሎ ኢሎም:: እቲ ነዳዲ ካብ ውሽጢ እምኒን ኣኻውሕን ፈንጭልካ ብምምኻኽ ዝርከብ ምኻኑ ብመፅናዕቲ ከምዝተረጋገፀ ኣብሪሆም። እዚ ዑቑር ሃብቲ ናብ ረብሓ ንምውዓል ዓብይ ወፍሪ ዝሓትት ብምኻኑ ዓቕሚ ዘለዎም ዓለም ለኸ ትካላትን ሰብ ሃብትን ብቐፃሊ ብምስታፍ ናብ ረብሓ ዝውዕለሉ ፃዕሪታት ይግበር ኣሎ ኢሎም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%8A%AD-%E1%8A%A2%E1%8A%95%E1%8B%B3%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%89%A3%E1%88%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%8B%E1%8D%88%E1%88%A8-%E1%8A%A9%E1%89%A3%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%8A%AC%E1%8B%AD-%E1%8D%92-%E1%8A%A3%E1%88%AD-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%AA%E1%89%91\/4915694.html"} {"headline":"ኣብ ዳያስፖራ ኣተሓባበርቲ ኮሚቴ ኣባላት ዓረናን ናይ ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ምትሕብባርን ኣብ ክልል ትግራይ መግሃስቲ ይፍፀም ኣሎ ይብሉ","content":"‘’ትግራይ ብዓል ዋና ዝስኣነት ደሴት ዓፈና፣ማእሰርትን ፀልማትን’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዳያስፖራ ኣባላት ኮሚቴ ኣተሓባባሪ ድጋፍ ዓረና መድረኽን ናይ ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ምትሕብባርን ኣብ ክልል ትግራይ ይፍፀም ኣሎ ዝበሉዎ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ናብ ቀደማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ደብዳቤ ፅሒፎም ኣለው። ብዛዕባ እቲ ደብዳበን ኣሎ ዝበሉዎ መግሃስትን ዝምልከት ምስ ኣባል ናይ ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ምትሕብባር ኣቶ ግርማይ ገዛህኝን ኣባል ዓረና ትግራይ ንልኡላውነትን ዴሞክራስን ኣቶ በላይ ገሰሰን ዝተኻየደ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/interview-with-tigrian-oppostions-diaspora-task-force\/4915520.html"} {"headline":"ኣብ ትግራይ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ዝተባህለ ሓዱሽ ፖለቲካዊ ውድብ ተጣይሹ","content":"ኣብ ትግራይ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ዝተባህለ ሓዱሽ ፖለቲካዊ ውድብ ተጣይሹ። እቲ ውድብ ኣብ ፌደራላዊ ስርዓት ብሄራዊ ረብሓ ትግራይ ንምኽባር ከምተጣየሸ ኣፍሊጡ:: ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ብሕጋውን ሰላማዊ መንገዲ ንምቅላስ ኣብ ቦርድ መረፃ ንምምዝጋብ ሕቶ ከምዘቕረበን ካብቲ ቦርድ ኣድላይ ሰነድ ከማልኡ ምላሽ ከምተውሃቦም ተሓቢሩ። እቲ ውድብ ሎሚ ፕሮግራሙ ንምልላይ ንጋዜጠኛታት መግለፂ ሂቡ። No media source currently available ኣባል ግዝያዊ ኣተሓባባሪ ኮሚቴ እቲ ውድብ ኣይተ ዓብለሎም ገብረሚካኤል ሳልሳይ ወያነ ኣብ ፌደራላዊን ሕገ መንግስታዊን ስርዓት ረብሓ ትግራይ ክኽበር ንምስራሕ ዝዓለመ ብሄርተኛ ውድብ እዩ ኢሎም። ኣብቲ ክልል ይኹን ኣብ ካልኦት ክልላት ምስ ዘለዉ ሕገ መንግስትን ፌደራላዊ ስርዓት ምስ ዝቕበሉ ውድባት ረብሓ ትግራይ ብዝጠቅም መንገዲ ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ኣይተ ዓብለሎም ተዛሪቦም። ኣሰያይማ እቲ ውድብ ጠሚቱ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ድማ ኣካል ከይዲ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብምዃኑን ምስቲ ናይ ሎሚ ግዘ ዝስማዕማዕ ብምኻኑ እዩ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ዝብል ሽም ሂብናዮ ኢሎም:: ኣብ ቐፃሊ ናብ ናይ ቁጠባ ፕሮግራም ጠሚቱ መብርሂ ዝሃቡ ናይቲ ውድብ ግዝያዊ ዋና ኣተሓባባሪ ኣይተ ሃያሉ ጎድፋይ ውድቦም ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ሶሻል ዴሞክራሲ ሒዙ ክቃለስ ምኻኑ ተዛሪቦም። ዋንነት መሬት ኣብ ሰለስተ ዝኽፈል ክኸውን : ኣብ ዙርያ ከተማ ዘሎ መሬት ናይ ውልቀ ሰብ፤ ናይ እንስሳት ጋህፂ መሬት ናይ ማሕበረሰብ ብተወሳኺ ድማ ዝሕረስ መሬት ካልኦት ናይ መንግስቲ ክኸውን ክንቃለስ ኢና ኢሎም:: ኣብ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓንቀፅ 53 ክልላት ናይ ባዕለን ፖሊሲ ቁጠባ ክቐርፃ ከምዝኽእላ ብመሰረት ዘቐመጦ ትግራይ መንገዲ ኣየር ሓዊሱ ካልኦት ቁጠባዊ ትካላት ክትውንን ክንሰርሕ ኢና ኢሎም:: መዓድን: ኢንዳስትሪ፣ ቱሪዝምን ሕርሻን ሓቢሮም ክዓብዩ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም:: ካብ ህወሓት ብምንታይ ትፍለዩ ተባሂሎም! \"ህወሓት ኣብ ፕሮግራሙ ከምዘፍለጦ ድርባዊ ቃልሲ ዘካይድ እዩ ንሕና ግን ብሄር መሰረት ዝገበርና ኢና\" ክብሉ ተዛሪቦም። ኣብ ዝቕፅል ዓመት ዝካየድ መረፃ ንምስታፍ ዘለዎም ምድላዋት ተሓቲቶም : \" ብመሰረት ሕጊ ሓዱሽ ዝተጣይሸ ውድብ ኣብ መረፃ ንምስታፍ ክልተ ዓመት ክፀንሕ ስለ ዘለዎ ኣይንሳተፍን\" ኢሎም:: ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣብ ቀረባ እዋን ጉባኤ ብምክያድ ኣመራርሓ ከምዝመርፅን ሕገ ደንቢ እቲ ውድብ እውን ከምዘፅድቕ ኣፍሊጡ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%B3%E1%88%8D%E1%88%B3%E1%8B%AD-%E1%8B%88%E1%8B%AB%E1%8A%90-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%88-%E1%88%93%E1%8B%B1%E1%88%BD-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%89%B0%E1%8C%A3%E1%8B%AD%E1%88%B9\/4912663.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ 875 ሽሕ ዜጋታት ናብ መንበሪኦም ምምላሶም ቤት ፅሕፈት ቀ\/ሚ ኣፍሊጡ","content":"ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ዝተመዛበሉ 875 ሽሕ ዜጋታት ናብ መንበሪኦም ከምዝተመልሱ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣፍሊጡ።መንግስቲ ንተመዛበልቲ ምምላስ ዝጀመረ ኣብ ናይ ቀደም መንበሪኦም ዘሎ ስግኣት ፀጥታ ዝተፈትሐ ምዃኑ ርግፀኛ ስለዝኾነ እዩ ክብላ ወሃቢት ቃል ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ቢልለኔ ስዩም ተዛሪበን።ተኸፊቶም ዝተዓፀው ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዶባት ብዝምልከት እውን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝርርብ ይካየድ ከምዘሎ ሓቢረን። ወሃቢት ቃል ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ቢልለኔ ስዩም ትማሊ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብኦ መግለፂ ናይ ኢትዮጵያ መራሒን መንግስቶምን ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናብ መነባብሮም ምምላስ ጀሚሮም ኣለው።ኣብ መላእ ሃገር ብሰንኪ ግጭት ካብ መንጎ ዝተመዛበሉ 2.3 ሚሊዮን ዜጋታት ክሳብ 29 ሚያዚያ 2011 ዓ.ም. እቶም 875,000 ተመሊሶም ከምዘለው ሓቢረን። እዞም ዜጋታት ዝተሰደዱን ዝተመዛበሉን ብሰንኪ ግጭትን ናይ ፀጥታ ስግኣትን እዩ።ቢልለኔ ስዩም መንግስቲ ንተመዛበልቲ ምምላስ ዝጀመረ እቲ ናይ ፀጥታ ሽግር ስለዝተፈትሐ እዩ ኢለን። “መንግስቲ ዜጋታት ናብ መነባብርኦም ክምለሱ ብምሉእ ርእሰ ምትእምማን'ዩ ዝሰርሕ ዘሎ።ምኽንያቱ ቀንዲ ሓላፍነት መንግስቲ ድሕነት ዜጋታት ምሕላው እዩ።ንሓደጋ ከቓልዖ'ውን ኣይፈቕድን።” ንሰን ብተወሳኺ ድሕንነትን ሰላም ምስ ስነ ኣእምሮ ዝተአሳሰረ ስለዝኾነ ሰባት ብበለካ ለኽዓካ ሓበሬታ ክሰግኡ ስለዝኽእሉ ናብ ናይ ቀደም መንበሪኦም ክምለሱ ከለው ናይ ስነ ኣእምሮ ምኽሪ እውን ስለዘድልዮም ኣገዳሲ ምድላው ተገይሩ’ሎ ኢለን። ምምዝባል ዜጋታት ንመፈፀሚ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ክጥቀምሉ ዝደልዩ ኣካላት ኣለው ዝበላ ቢልለኔ ስዩም እዞም ኣካላት እቶም ተመዛበልቲ ናብ መንበሪኦም ክምለሱ ኣይደልዩዎምን ኢለን። ኣብዝተፈላለዩ ክፍላት እታ ሃገር ዘጋጥሙ ግጭታት ዝተዋደዱን ብሓደ ኣካል ዝምርሑን እንተኾይኖም ተሓቲተን ከምዚ ክብላ መሊሰን። “ዘጥፍኡ ከምዘለው መንግስቲ ይርዳእ እዩ።እዞም ዘጥፍኡ ብሓባር ወይም በብውልቆም ዝሰርሑ ክኾኑ ይኽእሉ።ህዝቢ ወይ ዜጋታት ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲ ንምምፃእ ዘለዎም ድልየት ንገሊኦም ሰባት ስግኣት ኮይኑዎም ከምዘሎ ዘርኢ እዩ።እዚ ለውጢ ንምምፃእ ዝጠፍአ ህይወትን ዝተገብረ ፃዕሪን እንተሪእና ነዚ ለውጢ ንዘይምቕባል ይውሃብ ዘሎ ግብረ መልሲ ክኸውን ይኽእል እዩ።እዚ ለውጢ ግን ክቕፅል እዩ።” ብዝተዋደደ ይኹን ብውልቂ ይሰርሑ ዘለው ጥፍኣተኛታት ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ መንግስቲ ንልዕልነት ሕጊ ብዘለዎ መርገፂ ኣብ ቁፅፅር ክውዕሉን ናብ ፍርዲ ክቐርቡን እዮም ኢለን። ኣብ ቀረባ ኽሲ ዝተመስረቶም ናይ ቀደም ዋና ዳይረክተር ሃገራዊ ድሕነት ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ ብዝምልከት ዝተሓተታ ብሌኒ ስዩም ክምልሳ ከለዋ ኣቶ ጌታቸው ይኹኑ ካልኦት ብቤት ፍርዲ ዝድለዩ ተጠርጠርቲ ንምሓዝ ኩሉ ዓይነት ፃዕሪ ክግበር እዩ ኢለን። ተኸፊቶም ዝተዓፀው ዶባትን ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝምልከት እውን ልኡኽ ጉጅለታት ክልቲአን ሃገራት ይዘራረቡ ኣለው ኢለን። “ምኽፋት ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ወይ ጉዳይ ዶብ ብዝምልከት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዝሰርሕ ካብ ኤርትራ ዝመፀን ናብ ኤርትራ ዝተልኣኸን ልኡኻት ኣለው።ዝርዝር ስርሖም ምስ ኣጠቓለሉ ኣብዝቕፅላ ሒደት ሰሙናት ክነፍልጠኩም ኢና።” ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ቢልለኔ ስዩም ዝተልዓሉ ጉዳያት መዕለቢ ንምንዳይ ብደረጃ ፈደራል ብክልቲኦም ወገናት ዝርርብ ክካየድ ከምዝፀንሐ እውን ወሲኸን ሓቢረን ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%90%E1%89%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%89-875-%E1%88%BD%E1%88%95-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%88%AA%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%B6%E1%88%9D-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%85%E1%88%95%E1%8D%88%E1%89%B5-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4911148.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ አሰላ ብዝተፈጥረ ግጭት 1 ሰብ ሞይቱ ልዕሊ 20 ቆሲሎም","content":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ኣሰላ ብዝተፈጥረ ግጭት ሓደ ሰብ ሞይቱ ካልኦት ልዕሊ 20 ሰባት ከምዝቖሰሉ ፖሊስ’ታ ከተማ ገሊፁ።መንቀሊ ናይቲ ግጭት ብመንግስቲ ፍቓድ ኣብ ዘይተውሃቦ ቦታ መስጊድ ንምስራሕ ፈተነ ኣብ ዝተገብረሉእዋን’ዩ ክብል ፖሊስ ወሲኹ አረዲኡ። ሽሞም ከይግለፀሎም ዝሓተቱ ነባሪ ከተማ ኣሰላ ትማሊ ረቡዕ 30 ሚያዚያ 2011 ዓ.ም ዝተወሰኑ ሰባት ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ክፉት ቦታ መስጊድ ንምስራሕ ሓፁር እናሰርሑ ዝርኣዩ ሰባት ክስራሕ የብሉን ብምባሎም ግጭት ተላዒሉ ይብል። ሃይሉ ከቡ ዝተባህለ ነባሪ ብወገኑ እቲ ግጭትን ናዕብን ናብ ማእኸል እታ ከተማ ብምስፍሕፋሕ ናብ ጉጅልኣዊ ግጭት ከምዝተለወጠን ህንፃታት ናይ ውልቀሰባትን መንግስትን ብእምኒ ከምዝተወቕዑን ኣካላት ፀጥታ ብዝኸፈቱዎ ቶኹሲ ብዙሓት ሰባት ብጥይት ከምዝቖሰሉን ሓቢሮም። ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ኣሰላ ኮማንደር ታደሰ ሽብሩ መበገሲ ናይቲ ግጭት ንብረትነቱ ናይ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዝኾነን ንመስርሒ መስጊድ ተሓቲቱ ግን ፍቓድ ዘይተውሃቦን ቦታ መስጊድ ንምስራሕ ኣብ ዝተገብረ ፈተነ’ዩ ኢሎም።እቶም ኣዛዚ ፖሊስ በቲ ግጭት ህይወት ሓደ ሰብ ጠፊኡ፤ካልኦት ልዕሊ 20 ሰባት ድማ ጉድኣት ወሪዱዎም ኣሎ ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%A0%E1%88%B0%E1%88%8B-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%A8-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-1-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B1-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-20-%E1%89%86%E1%88%B2%E1%88%8E%E1%88%9D\/4910653.html"} {"headline":"ዓዲ ግራት፡ ጸልማት ጉልባብ ዝገበረ ክትራን ክትራን በዚሑ ምንባሩ ተገሊጹ","content":"ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ፀልማት ጉልባብ ጌርካ ምክታር፡ ምውቃዕ፣ ምሕናቅ፣ምስራቕን ካልኦት ንሰላም ከተማና ዝዘርጉ ተግባራት እናተባራከቱ ብምኳዶም ህዝብና ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝነጥፉ ውልቐ ሰባት ፅዑቅ ጎስጓስ ክገብሩ ፀኒሖም እዮም።ብመሰረት እዚ ካብ ክልል፣ዞባን ከተማን ዝተወፅኣ ሰለስተ ኮሚቴ ብምጥያሽ መፅናዕቲ ነካይድ ኣለና ክብሉ ከንቲባ ከተማ ዓዲ ግራት ኣይተ ገብረመድህን ስዩም ኣፍሊጦም። ኣይተ ገብረመድህን ስዩም ድሕሪ እቲ መፅናዕቲ ኣብ ኣካላት ፀጥታ ናብ ምግምጋም ኢና ኣቲና ይብሉ። \" ፈለማ ኮር ኣመራርሓ ፖሊስ ከተማና ኢና ምፍታሽ ጀሚርና ካብ ሓላፊ ምርመራ ገበን ጀሚሩ ድማ ፀገም ፀኒሑ ካብ ሓላፍነቱ ክወርድ ተገይሩ እዩ።\" ብዘይካ እዚ 131 መናእሰይ ኣብዚ ክትራን ዝተዋፈሩ ምህላዎም ኣብ መፅናዕቲ ረኪብና፣ ባጃጃት፣መካይን፣ገዛውቲ ከይተረፈ ኣብዚ ፀልማት ጉልባት ገይርካ ዝካየድ ክትራን ከምዝተዋደዱ ንምርኣይ ኪኢልና ክብሉ ከንቲባ ከተማ ዓዲ ግራተ ኣይተ ገብረመድህን ስዩም የረድኡ። ኣብዚ ምፅራይ ዝተፈላለየ መቕጻዕቲ ዝተውሃቦም ከባቢ 25 አባላት ፖሊስ ከምዘለው እውን ወሲኮም ሓቢሮም። ሜዲካል ዳይረክተር ሆስፒታል ዓዲ ግራት ደክተር ቴድሮስ ፍስሃ ብወገኖም ቅድሚ መድረኻት ህዝቢ ምክያዱ ኣብ ስራሕ እውን ይፅገሙ ምንባሮም ብምክንያት ክትራን ክሳብ ሞት ዝበፅሕ ሓደጋ ከምዘጋጠመ ዶክተር ቴድሮስ ይዛረቡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%8B%B2-%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%88%8D%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%8C%89%E1%88%8D%E1%89%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%89%A0%E1%8B%9D%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4910576.html"} {"headline":"“ኣብ ቅርጻ፡እቲ ቀዳማይ ጥበብ ትዕግስቲ’ዩ” ጸራባይ ኤልያስ ጸጋይ","content":"ኣብ 30ታት ዝርከብ መንእሰይ`ዩ።ኣብ ሞያ ጽርበትን ቅርጻን ካልኦት ኢደ-ስርሓትን ዝነጥፍ ኢደ-ጥበባዊ`ዩ -ኤልያስ ጸጋይ። ንሞያ ቅርጻ ካብ ግዜ ቁልዕነቱ ጀሚሩ ጎኒ ጎኒ ትምህርቱ እናሰርሐ ከምዘማዕበሎን ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝተፈላለዩ ሱሉስ ጎናዊ(ርእየት) G3 ዘለዎም ምስልታት ናይ ሰብ፡እንስሳታትን ካልእን ከምዝሰርሕ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ። ነቲ ናቶም ቅርጻታት`ውን ባዕሉ ብዝሰንዖም መሳርሒታት ተጠቂሙ ብኢዱ ከምዝሰርሖም ይዛረብ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%85%E1%88%AD%E1%8C%BB-%E1%8A%A5%E1%89%B2-%E1%89%80%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8C%A5%E1%89%A0%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8B%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8B%A9-%E1%8C%B8%E1%88%AB%E1%89%A3%E1%8B%AD-%E1%8A%A4%E1%88%8D%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8C%B8%E1%8C%8B%E1%8B%AD\/4910493.html"} {"headline":"ኣብ መሓብሓቢ ህጻናት ዓብይ መዕበይ ሕጻናት ዝመስረት መንእሰይ","content":"ንገዛእ ርእሱ ኣብ መሓብሓቢ ህፃናት ዝዓበየ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ሓጋዚ ንዘይብሎም ህፃናት ንምሕጋዝ መዕበይ ማእኸል ኣብ ከተማ መቐለ ዝመስረተ መንእሰይ ክነላልየኩም። No media source currently available ኣበበ ፋንታሁን ይበሃል።ን76 አላይ ዘይብሎም ህጻናት ዝሕግዝ ሎላ ዝተባሃለ መዕበይ ህፃናት ኣብ ከተማ መቐለ ኣጣይሹ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%88%93%E1%89%A5%E1%88%93%E1%89%A2-%E1%88%85%E1%8C%BB%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8B%93%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8B%95%E1%89%A0%E1%8B%AD-%E1%88%95%E1%8C%BB%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AD\/4910474.html"} {"headline":"ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ ዝርከብዎም 26 ሰራሕተኛታት ሃገራዊ ድሕነት ዝነበሩ፡ኣብ ቤት-ፍርዲ ክሲ ተመስሪትዎም","content":"ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ ዝርከብዎም 26 ሰራሕተኛታት`ቲ ቤት ጽሕፈት ትማሊ ሰሉስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ሓደ ቤት ፍርዲ ክሲ ከምዝተመስረቶም ተፈሊጡ`ሎ። ካብ`ቶም 26፡ እቶም 22 ተታሒዞም ከምዝርከቡ ዝገለጸ ፈደራል ዓቃቢ-ሕጊ ኢትዮጵያ፡ ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ፡ ኣቶ ኣጽብሃ ግደይ፡ ኣቶ ኣሰፋ በላይን ኣቶ ሽሻይ ልኡልን ኣብ ዘይተረኸብሉ፡ መዝገብ ክሲ ተኸፊትሎም ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋን ካልኦትን ተመስሪቱ ዘሎ ክስታት፡ ስልጣንካ ብዘይ ኣግባብ ምጥቃምን ብኸቢድ ብልሽውናን ዝብል`ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%8C%8C%E1%89%B3%E1%89%B8%E1%8B%8D-%E1%8A%A3%E1%88%B0%E1%8D%8B-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5%E1%8B%8E%E1%88%9D-26-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A9-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%AD%E1%88%B2-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AA%E1%89%B5%E1%8B%8E%E1%88%9D\/4909393.html"} {"headline":"ሃገራዊ ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ክካየድ ዝተወጠነ ምርጫ መግለጺ ሂቡ ከምዘይፈልጥ ሓቢሩ","content":"ሃገራዊ ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ዝመጽእ ዓመት ክካየድ ዝተወጠነ ምርጫ ክናዋሕ ኮነ ከይናዋሕ ንዝኾነ አካል መግለጺ ሂቡ ከምዘይፈልጥ ሓቢሩ። እቲ ምርጫ ቦርድ \"ሰላም ከይሃለወ ምርጫ ፈጺሙ ዘይሕስብ'ዩ\" ኢሉ ዝብል ብማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ዝተዘግሓ ሓበሬታ \"ሓሶት'ዩ\" ኢሉ'ሎ። እቲ ምርጫ \"ኣብቲ ዝተመደበሉ ጊዜ ንምክያድ ምድላዋቱ የሳልጥ ከምዘሎ ዝገለጸ'ቲ ምርጫ ቦርድ በቲ ዝተመደበሉ ጊዜ ንምክያድ ዘየኽእል ኩነታት እንተተፈጥረ'ውን ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢና ነፍልጥ ምበር ባዕላትና ናይ ምንዋሕ ኾነ ምስራዝ መዝነት የብልናን\" ኢሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%89%A6%E1%88%AD%E1%8B%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8B%9B%E1%8B%95%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8A%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%8C%A0%E1%8A%90-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%82%E1%89%A1-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8D%88%E1%88%8D%E1%8C%A5-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/4909156.html"} {"headline":"ኣብ ምዕራብ ጎንደር ጥርጡራት ገበነኛታት ከህድሙ ዝፈተኑ 4 አባላት ምክልኻል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ምዕራብ ጎንደር ወረዳ ቋራ ንጥርጡራት ገበነኛታት ከህድሙ ዝፈተኑ ኣርባዕተ አባላት ምክልኻል ብምትሕግጋዝ ሕብረተሰብን አባላት ጸጥታን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ። እቶም ኣርባዕተ አባላት ምክልኻል ብገበን ምልዕዓል ብሄር ተኾር ጎንጺ ዝጠፍኣ ህይወትን ንብረትን ንዝተጠርጠሩ ሓሙሽተ ሰባት ክህድሙ ፈቲኖም ብዝብል ክሲ ኣብ ምርመራ ከምዘለው’ውን ተፈሊጡ’ሎ። ውጽኢት ምርመራ ንህዝቢ ከምዝግለጽ’ውን ሰበ ስልጣን ሓቢሮም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%8C%A5%E1%88%AD%E1%8C%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%8A%90%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%85%E1%8B%B5%E1%88%99-%E1%8B%9D%E1%8D%88%E1%89%B0%E1%8A%91-4-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%88%9D\/4907767.html"} {"headline":"ኣብ ዛላንበሳ፣ ራማን ሑመራን ጣብያታት ጉምሩክ ናይ ምኽፋት ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረ ተገሊጹ","content":"ንኢትዮጵያን ኤርትራን ዘራኽብ መስመራት ዛላንበሳ፣ ራማን ሑመራን ስራሓት ንግዲ ንምክያድ ዘኽእል ናይ ጉምሩክ ምንቅስቓስ ብወገን ኢትዮጵያ ምጅማሩ ተገሊጹ። ኣብ ኮሚሽን ጉምሩክ ኣካያዲ ስራሕ ጨንፈር መቐለ ኣይተ ምሕረትኣብ ገብረመድህን እቲ ስርሓት ኣብዚ ሐዚ እዋን ይዛዘም ምህላው ገሊጾም። ርክብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሕግን ስርዓትን ተኸቲሉ ክኸይድ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ብመሰረት ዝተበጽሓ ስምምዕ ንምትግባር ኣብ ዛላንበሳ፣ ራማን ሑመራን ጣብያታት ጉምሩክ ናይ ምኽፋት ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረ ኣብ ኮሚሽን ጉምሩክ ኢትዮጵያ ቤት ፅሕፈት ጨንፈር መቐለ ኣፍሊጡ። ኣካያዲ ስራሕ እቲ ቤትፅሕፈት ኣይተ ምሕረተኣብ ገብረመድህን ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝገለፅዎ ኣብ ዛላንበሳ ስራሓት ጉምሩክ ዝቆፃፅሩ ኣባላት ፌደራል ፖሊስን ሰብሞያ ጉምሩክ 27 ሚያዝያ 2011 ዓ.ም. ከምዝኣተዉ ገሊፆም። ብተመሳሳሊ ኣባላት ፌደራል ፖሊስን ሰብሞያ ጉምሩክን 28 ሚያዝያ 2011 ዓ.ም. ናብ ራማ ከምዝኣተዉ እቶም ኣካያዲ ስራሕ ሓቢሮም። ተወሳኺ ሰብሞያ ጉምሩክ እውን ኣብዚ ሰሙን ናብቶም ከባቢታት ከምዝኣትው ኣይተ ምሕረት ኣብ ገሊጾም። ብመስመር ሑመራ ድማ ቅድሚ ሐዚ ኣብ ዶብ ሱዳን ኣገልግሎት ይህቡ ዝነበሩ ሰብሞያ ስለዘለዉ ናብ ናይ ኤርትራ ዶብ ስርሓቶም ብምስፍሕፋሕ ኣገልግሎት ከምዝህቡ ተሓቢሩ’ሎ። ኣይተ ምሕረተአብ ምምላእ ሰራሕተኛታትን መስርሒ ቦታን ይዛዘም ከምዘሎ ገሊጾም። ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ምዝዛም ኹናት ድሕሪ ምእዋጁ ንክልቲኣን ሃገራት ዘራኽቡ ኣርባዕቲኦም መስመራት ተኸፊቶም ድሕሪ ምፅናሕ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ተዓጽዮም ከምዘለው ይፍለጥ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9B%E1%88%8B%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%88%B3-%E1%88%AB%E1%88%9B%E1%8A%95-%E1%88%91%E1%88%98%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8C%A3%E1%89%A5%E1%8B%AB%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%88%A9%E1%8A%AD-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%8D%8B%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%B5%E1%89%93%E1%88%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%80%E1%88%98%E1%88%A8-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4907329.html"} {"headline":"ኩነታት ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣቓልቦ ክረኽብ ኤርትራዊያን ነበርቲ ኣውሮጳ ዘካየድዎ ጉዕዞ ብሽክለታ ተዛዚሙ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ነበርቲ ኣውሮጳ ዝኾኑ ኤርትራዊያን ኩነታት’ቶም ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኤርትራዊያን ትኹረት ዓለም ንኽረክብ ናይ ብሽክለታ ጉዕዞ ጀሚሮም ኔሮም። እቲ “ጉዕዞ ንፍትሒ” ዝብል ጉዕዞ ብሽክለታ ሎሚ ኣብ ከተማ ብራስለስ ብዝተኻየደ ሰልፊን ርክብ ምስ ሰበ ስልጣን ሕብረት ኣውሮጳን ተዛዚሙ’ሎ። No media source currently available ብዛዕባ’ዚ ምስ ተሳተፍቲ’ቲ ጉዕዞ ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8A%E1%89%A5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%93%E1%88%8D%E1%89%A6-%E1%8A%AD%E1%88%A8%E1%8A%BD%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%88%AE%E1%8C%B3-%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5%E1%8B%8E-%E1%8C%89%E1%8B%95%E1%8B%9E-%E1%89%A5%E1%88%BD%E1%8A%AD%E1%88%88%E1%89%B3-%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%99\/4906174.html"} {"headline":"ስነ ስርዓት ቀብሪ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ዶ\/ር ነጋሶ ጊዳዳ ተፈጺሙ","content":"ስነስርዓት ቀብሪ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ዶ\/ር ነጋሶ ጊዳዳ ትማሊ ሰንበት ብክብ ዝበለ ስነ ስርዓት ኣብ አዲስ አበባ ተፈፂሙ።ንዶ\/ር ነጋሶ ጊዳዳ ዘከላበቱ ናይ ቀደም ጨካናትን ውልቀ መለኽትን መራሕቲ ብህይወት እናሃለው ዘይሃቡዎም ክብሪ ምስ ሞቱ ረኺቦም ክብሉ ብቀረባ ዝፈልጡዎን ኣብቲ ስነስርዓት ቀብሪ መደረ ዘስምዑን ገሊፆም። ካብ 1987 ዓ.ም ጀሚሩ ንኣስታት ሸውዓተ ዓመት ፕረዚደንት ኮይኖም ዘገልገሉ ዶ\/ር ነጋሶ ጊዳዳ ኣብቲ እዋን ቀዳማይ ሚንስትር ምስ ዝነበሩ ኣቶ መለስ ዜናዊ ብዝተፈጥረ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ካብ ሓላፍነቶም ምልቓቆም ይዝከር። No media source currently available ኣብ ስነስርዓት ቀብሮም ዝተነበ ፅሑፍ ዝተፈለየ ሓሳብ ብምሓዞምን ካብ ስልጣን ብምልቃቖምን ፀቕጢን በደላትን ተፈፂሙዎም ይብል ።ዝናብ ኣብዘፍስስ ገዛ ይነብሩ ነይሮም፣ብናይ ህዝቢ መጎዓዚያ ታክሲ ከምኡ እውን ብእግሮም ክጉዓዙ ተገዲዶም።ኣብ ልዕሊ ዶ\/ር ነጋሶ በደል ዘውረዱ ፖለቲከኛታት ብህይወት እናሃለው ነጋሶ ብዝለዓለ ክብሪ ብምቕባሮም ተፀናኒዕና ክብሉ ናይ ቀረባ ፈተውቶም ተዛሪቦም። ካብ እዋን ንእስነት ንዶ\/ር ነጋሶ ዝፈልጡዎም ዋና ፀሓፊ ናይ ቀደም ፓርቲ ሓድነት ዝነበሩ ኣቶ ኣስራት ጣሴ ከምዚ ኢሎም። “ጨካናትን ውልቀመለኽትን መራሕትና ዶ\/ር ነጋሶ ብመትከልን ሓሳብን ምስ ተፈለዩዎም ከምቲ ዘከላበቱዎምን ዝጎድኡዎምን ኣማውትኦም እውን ሕሱር፣ዘይረብሕን ዋጋ ኣልቦን ክኸውን ዝነበሮም ተስፋ ፈሺሉ እዩ።ንሳቶም ብህይወት እንሃለው ዘይረኸቡዎ ክብርን ሞገስን ንሶም ኣብ እዋን ሞቶም ረኺቦምዎ ኣለው። “ ናይ ዶ\/ር ነጋሶ መርገጺን ኣመለኻኽታን ትኽክለኛ ከምዝነበረ ኩሎም ትማሊ ኣብ ስነስርዓት ቀብሮም ዝተዛረቡ ምስክርነቶም ሂቦም ኣለው።ካብዚኦም ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ሓንቲ እየን። “ውሩይ ፖለቲከኛን ምሁር ታሪኽን ዶ\/ር ነጋሶ ጊዳዳ ንእምነትን ሕልናን ምንባር ኣርእዮምና።ናይ ውልቂ ረብሓ፣ሃብቲ ንዕኦም ዋላ ሓደ ነገር ከምዘይነበረ ብመነባብርኦም ኣርእዮም እዮም።” ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ብተወሳኺ ሽግር ከይስዓሮም ንቕድሚት ሰጒሞም፤ምስ ህዝቢ ወጊኖም፣ፍቕርን ተቐባልነትን ኣትሪፎም እዮም ኢለን ። ትማሊ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝርከብ ኣዳራሽ ሚሊኒየም ከምኡ እውን ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ጳውሎስ ኣብዝተኻየደ ስነስርዓት ቀብሪ ፈተወቲ፡ ቤተሰብን ፣ኣድነቕቶምን ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ሓዊሱ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ተረኺቦም ኔሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%89%A5%E1%88%AA-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8A%90%E1%8C%8B%E1%88%B6-%E1%8C%8A%E1%8B%B3%E1%8B%B3-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%99\/4906058.html"} {"headline":"“ክልል ትግራይ ኣቐዲሙ ተጠቒሙ’ዩ ብዝብል ሓደሽቲ ፕሮጀክትታት ከይፍጸሙ ፈደራል መንግስቲ ምንቅስቃስ ጀሚሩ’ዩ” ም\/ም\/ክልል ትግራይ","content":"ክልል ትግራይ ኣቐዲሙ ብዝተፈለየ ተጠቒሙ እዩ ብዝብል ኣረኣእያ ፌዴራል መንግስቲ ዝፈፀሙ ሓደሽቲ ፕሮጀክታት ከይስርሑ ምንቅስቓስ ጀሚሩ’ሎ ክብሉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብሚካኤል ኣፍሊጦም። ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካአል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ጠመቱ ዝሃብዎ መግለፂ ንጉዳይ ሰላም፣ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን እቲ ክልል ጠመተ ዝገበረ እዩ ። ኣብ ትግራይ ገጠር ከባቢታት ጉዳይ ምሕደራን ዳኝነትን መሬት፤ ተተሓሒዙ ፀገማት ይረአ ብምንባሩ መሓውር መሬት ዳኝነትን ምምሕዳርን ምሉእ ብምሉእ ክፈርስ ተገይሩ ኢሎም። ቅድሚ ሐዚ ጣብያታት በሰናይ ፍቓደኛታት ይመሓደሩ ነይሮም እዚ ከይዲ ንህዝቢ ዝግባእ ግልጋሎት ዝህብ ከምዘይኮነ ብመፅናዕቲ ተረጋጊፁ ኢሎም። እቲ ፀገም ብነባሪ ንምፍታሕ ኣብ ጣብያታት ብህዝብን ኣብያተ ምኽሪን ዝተመረፁ መብዛሕቲኦም ቀዳማይ ዲግሪ ዘለዎም መንእሰይ በቀዋምነት ተቖፂሮም ኢሎም። ኣብ ማሕበራዊ ኣብያተ ፍርድ ዝነበረ ግልጋሎት እውን ህዝቢ የማርረሎም ካብ ዝነበረ ጉዳያት ሓደ ብምዃኑ ጉዳያት ሕጊ ናብ ስሩዕ ቤትፍርዲ ክኣትው ብምግባር እቲ ናይ ማሕበራዊ ቤትፍርዲ ግልጋሎት ክንኪ ተገይሩ ኢሎም። ካብ ገጠር ናብ ከተማ ኣብ ዝተኻለሉ ከባቢታት ዝነብሩ ሓረስቶት ብዝምልከት ድማ ሓረስቶት ዝሓሸ ህይወት ክመርሑ እምበር ናብ ዝኸፍአ ድኽነት ዝኣትውሉ ስርዓት ክህልው መንግስቲ ኣይደልን ኢሎም። ሓረስቶትን መናእሰይ ተጠቃሚ ንምግባር መንግስቲ ይሰርሕ ኣሎ ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑፀሩ መናእሰይ መሬት መንበሪ ገዛ ይወሃቦም ኣሎ ክብሉ ገሊፆም። ኣብ ዙርያ መቐለ ዝነብሩ መናእሰይ ዘለዎም ሕቶ መሬት መንበሪ ጠሚቱ ምስ ነበርቲን ዝምልከቶም ኣካላት ከምዝዘተዩ ዝተዛረቡ እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕደር ኣብ ከይዲ ኣፈፃፅማ ፀገም ከምዘሎን ብተወሳኺ እቲ ናይ መቐለን ከባቢኡን ጉዳይ መሬት ዝተሓላለኸ ብምዃኑ ነዚ ንምፍታሕ ፃዕሪ ይግበር ምህላዉ እዮም ተዛሪቦም። ኣብ ውሽጢ ትግራይ ኮይኖም ሓድነት ህዝቢ ንምፍራስ ዝንቀሳቓሱ ሓይልታት ኣለዉ ድሕሪ ምባል ኣብ ቀረባ እዋን ‘ባንዳ’ ኢሎም ብዛዕባ ዝተዛረቡ ከብርሁ ኸለው ድማ እዚ ቃል ንውልቀሰባት እምበር ሕቶ ንዘቕረበ ሕብረተሰብ ይኹን ፖለቲካዊ ውድብ ኣይውክልን ኢሎም። ነዚ ተግባር ይፍፀሙ ኣለዉ ዝበልዎም ሰባት ሽም ግና ካብ ምርቛሕ ተቖጢቦም። ሰላም ትግራይ ንምሕላው ህዝቢ ይገብሮ ካብ ዘሎ ፃዕሪ ብተወሳኺ ናይቲ ክልል መሓውር ፀጥታ ከምዝሓየለ ተዛሪቦም ብቐፃሊ እዋን ከምዝቕጽል ሓቢሮም። ቀፃሊ ክራማት ሕፅረት ዝናብ ከምዝህልው ትንበያ ሜትዮሮሎጂ ኣሎ ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን ህዝቢ ናይ ምዕቋር ባህሉ ከዕብይ ከምዘለዎ ተዛሪቦም። ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ተመዛቢሎም ናብ ትግራይ ዝመፁ ልዕሊ 100 ሽሕ ተጋሩ ኣለዉ ነዚኦም እግሪ ናይ ምትካል ስራሕ ይሰራሕ ኣሎ ድሕሪ ምባል ካብ ክልል ኦሮምያ ዝተመዛበሉ መንግስቲ እቲ ክልል እግሪ ናይ ምትካል ስራሓት ክፍፅም ቃል ከም ዝኣተወ ተዛሪቦም። ዝበዝሑ ተመዛበልቲ ካብ ክልል ኣምሓራ ዝመጹ ምዃኖም ዝገለፁ ዶክተር ደብረፅዮን፤ ኮይኑ ግና ምስቲ ክልል ቅድሚ ስራሓት እግሪ ምትካል ኣብ ጉዳይ ሰላም ዘተ ከምዘድልይ ሓቢሮም። ኣብ ከባቢኡ ዝረኣዩ ጎንፅታትን ምጥፋእ ህይወት ሰብን ፀገም አመራርሓ እናሃለወ በዚ ድማ ኣብ ክንዲ ናብ መፍትሒ ምስጋር ሐዚ እውን መበገሲኡ \"ህወሓት እዩ\" ብምባል ዝግለፅ ሐዚ እወን ዘይተፈትሐ ትኽክል ዘይኮነ ኣተሓሳስባ እዩ ኢሎም። ሓረስቶት ንእታወት ሕርሻን፤ ካልኦት ዝተወሰዱ ልቓሕ ስለ ዘይተመለሱ በዚ ድማ ናይቲ ልቓሕ ዋሕስ መንግስቲ ክልል ብምዃኑ መንግስቲ ፌደራል ካብ በጀት ትግራይ 200 ሚልዮን ከምዝቖረፀ ዶክተር ደብረፅዮን ሓቢሮም። ኣብዚ ሐዚ እዋን ፌዴራላዊን ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ እዩ ዝበሉ እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኢትዮጵያ ትልለየሉ ሰላም ተዘሪጉ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብዘሎ ምዝንባል ኣብ ዓለም ኣብ ቅድሚት ትስራዕ ሃገር ኮይና ኣላ እዚ ድማ ውርደት እዩ ብምባል ገሊፆም። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ክልል ትግራይ ብዝተፈለየ ተጠቒሙ እዩ ብዝብል ኣረኣእያ ብመንግስቲ ፌዴራል ዝፈፀሙ ፕሮጀክታት ሓደሽቲ ከይስርሑ ንምግባር ምንቅስቓስ ተጀሚሩ ኢሎም። ቤት ምኽሪ ፌደሬሽንን ሚንስተር ፋይናንስን ቁጠባን ብምትሕብባርን ኣብ ጉዳይ በጀት ምላሽ ክህቡና ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%90%E1%8B%B2%E1%88%99-%E1%89%B0%E1%8C%A0%E1%89%92%E1%88%99-%E1%8B%A9-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%88%BD%E1%89%B2-%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%80%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%8B%AD%E1%8D%8D%E1%8C%B8%E1%88%99-%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%B5%E1%89%83%E1%88%B5-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9-%E1%8B%A9-%E1%88%9D-%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/4905891.html"} {"headline":"ኤርትራ: ዝተአስሩ ጋዜጠኛታት ክሳብ ሕጂ ተዳጒኖም ይርከቡ","content":"ገጣሚትን ጋዜጠኛን ይርጋአለም ፈሰሃ ንንቡር መስርሕ ህይወታ ዝቐየረት መዓልቲ ፈጺማ አይትስዓን እያ። ለካቲት 19, 2009 - ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ሬድዮ ባና ምዱብ ስርሓ ተካይድ ከምዝነበረት፡ሰዓት 4 ድሕሪ ቐትሪ ምስ ኾነ ላዕለዎት ሓለፍቲ’ቲ መደበር ሬድዮ ሃንደበት ኣኼባ ከምዝጸውዑ፡ ቀጺሎም ወታሃደራዊ ዩኒፎርም ዝተኸደኑ ወታሃደራት ነቲ ቀጽሪ ከቢቦም ልዕሊ 30 ጋዜጠኛታት ምእሳሮም ይርገኣለም ንድሕሪት ተመሊሳ ትዝክር። ንይርጋኣለም ድማ ናብ ካብ ኣስመራ ውጽእ ኢሉ ዝርከብ ዓዲ ኣበይቶ ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ ተወስደት። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ምርመራ ቀጺሉ ይኹን ደኣ እምበር እቲ ዝቐርበላ ዝነበረ ሕቶታት “ስግንጢር”ብምዃኖም ይርገኣለም ንጊዚኡ ብጌጋ’ዩ ዝኸውን ክትብል ገመተት። ይርጋኣለምን ካልኦት አባላት ሬድዮ ባና ምስ መደበር ሬድዮ ተቓወምቲ ርክብ ኣለኹም ዝብል ክሲ‘ዩ ቐሪብሎም። No media source currently available ይርገኣለም “ብዙሕ ሕቶታት ሓቲቶምኒ እንድዮም ስለዚ ኣጻርዮም ክፍንውኒ’ዮም” ዝብል ሓሳብ ከምዝነበራ፡ ኣብ ገዛእ ርእሳ ብዝነብራ ምትእምማን “ዝሓተቱ እንተሓተቱ ብቕንዕናይ ይተኣማመን ኔረ ብዛዕባ’ቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ ድማ ኣይተሻቀልኩን” ትብል። ኣንጻር ዝነበራ እምነት ይርጋኣለም ከምዝገመተቶ ኣብ ሓጺር ጊዜ ኣይተፈትሓተን።ንሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ማእለያ ዘይብሉ ምርመራን ማሕረምቲን ገጢምዋ። ኣብ መወዳእታ ኸአ ኣቐዲማ ብዝጸሓፈቶ ግጥሚ ክሲ ብምቕራብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ትጸንሓሉ ጊዜ ተናዊሑ፡ ንሳ ግን ንኹሉ ዝቐረበላ ክሲታት ትነጽግ። ንሳ ኾነ ብጾታ እቲ ዝሕተትሉ ዝነበረ ሬድዮ ኣበይ ከምዘሎ’ውን ኣይፈልጥዎን ከምዝነበረ ትሕብር። ይርጋኣለም እታ እንኾ ኣብ ኤርትራ ዝተአሰረት ኤርትራዊት ጋዜጠኛ ኣይኮነት ብመሰረት ሪፖርት ንደሕንነት ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ዓለምለኸ ትካል (CPJ) ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኤርትራ 16 እሱራት ጋዜጠኛታት ኣለው።እቲ ትካል ብተወሳኺ ካብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ብማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ደረጃ ናጽነት ሕትመትን ብሕታዊ ጋዜጣታት ኩነታት ኤርትራ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ምንቁልቋሉ ይገልጽ። ኣብ መስከረም 2001 ሰበ ስልጣን ኤርትራ ንመብዛሕትኦም ኣብታ ሃገር ዝሕተሙ ዝነበሩ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ሕትመትን ሃገርዎ ። ሸውዓት ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ድማ ኣብቲ ህሞት ተዓጽዋ።ከምኡ’ውን ብዙሓት ጋዜጠኛታት ተአስሩ፡ እዞም ጋዜጠኛታት ክሳብ ሕጂ’ውን ሃለዋቶም ኣይፍለጥን። መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ እዞም ሰባት እዚኦም ምስ ተቓወምቲን ናይ ወጻኢ ሓይልታት ርክብ ጌሮም መንግስቲ ንምግልባጥ ዝሰርሑ እዮም ክብል ይኸስስ። ኣቐዲሙ ኣብ መንግስታዊ ቴሌቭዥን ኤርትራ (ኤሪቲቪ) ኣንባቢ ዜና ዝነበረን ኣብዚ እዋን ኣብ ብሪጣንያ ዝነብር ጋዜጠኛ ተመስገን ደበሳይ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮንኻ ብዛዕባ እሱራት ጋዜጠኛታት ኤርትራ ጸብጻብ ምቕራብን ምሕላቕን ዘይኸአል’ዩ ኔሩ ይብል። “ ክሳብ እዛ መዓልቲ’ዚኣ ማንም ሰብ ኣበይ ከምዘለው ኣይፈልጥን።ብህይወት ይሃልው ኣይሃልው ዝፍለጥ ነገር የለን።ከምዚ ዓይነት ናይ ጋዜጠኛታት ማእሰርቲ ዘይምግሃድ ወይ ንህዝቢ ምንጋር ፍቑዱ ኣይኮነን ተኸዊሉ ዝሓልፍ ነገር እዩ። ብዛዕቦም ዝፍለጥ ኾነ ዝተሰምዐ ነገር የለን።” ኣብ ወጻኢ ዘለዎ ስድራቤታት፡ተቓወምቲ፡ ሰበ ስልጣን ወጻኢ ሃገራትን ዲፕሎማትን ነቶም ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ንምፍታሕ ብዙሕ ጻዕሪ ይገብሩ ኣለው።ንኣብነት ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ብ2001 ተአሲሩ መንግስቲ ሽወደን፡ተሓለቕቲ መሰላትን አባላትን ስድራቤትን ክፍታሕ እንተሓተቱ’ዃ ክሳብ ሕጂ ሃለዋቱ ኣፍለጥን። ከምኡ’ውን ኣብ 2001 ዝተኣሰረ ጋዜጠኛን ሰኣላይን ስዩም ጸሃየ ሰብ ኣብዘይበጽሖም ዘይርእዮን ቦታ ንዝሓለፉ ኣስታት 20 ዓመት ጸኒሑ ኣሎ። ጓል ሓፍቱ ብዛዕብኡን ኩነታቱን ኣፍልጦ ንምዕባይ “ስዩም ሓንቲ መዓልቲ” ብዝብል መሪሕ ቃል ሓደ ትካል መስሪታ ትንቀሳቀስ አላ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኤርትራ ናጻ ዝኾና መራኸቢ ብዙሃን የለዋን፡ ብዛዕባ ኣሉታዊ ዜና ገዛኢ ፓርቲ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራሲን ፍትሕን ወይን ንፕረዚደንት’ታ ሃገር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝነቕፉ ጽሑፍ ብመሓውራት ዜና ክቓላሕ ኣይስማዕን። ብብእዋኑ ገለ ዓለምለኸ መሓውራት ዜና ናብ ኤርትራ ክኣትው ተፈቐዲሎም እንተነበረ መንግስቲ ንስርሖም ብዕቱብ ስለዝቆጻጸሮ እቲ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ኣይበጽሕን። ኣብ ኤርትራ ዘለው ጋዜጠኛታት ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተዋህቦም ሓበሬታ ጥራይ’ዮም ዘቓልሑ ምክንያቱ እዚ ምስ ዘይኸውን እንታይ ክስዕብ ከምዝክእል ይፈልጡ’ዮም። “ ንዝኾነ ሰብ ካብቲ ዝተመደበ ኣሰራርዓ ወጻኢ ቦታ የብሉን። ስለዚ ሰባት ገዛእ ርእሶም ንምክልካል ወይ ንምንባር ኢሎም ከም ዝሰርሑ ክትርዳእ ትኽእል። ዝኾነ ነገር ካብታ ዝተባህለት እንተወጺኦም ባዕላቶም ኣብ ሽግር ከም ዝኣተው ስለዝፈልጡ ከአ እዮም ኩሉ ጽቡቕ ከምዘሎ ጌሮም ከቕርቡ ዝገደዱ።” ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራዊያን ጋዜጠኛታት ግን ገለ ጩራ ተስፋ ኣብቲ ሞያ የርእዩ ኣለው።ንኣብነት ኣብ ፈረንሳ ትርከብ ሬድዮ ኤረና ዝሰርሑ ኤርትራዊያን ጋዜጠኛታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ሓበሬታ ብምስጢራዊ ኣገባብ ናብ ምሉእ ዓለም የመሓላልፉ። ዜናን ካልኦት ፕሮግራማትን ብቋንቋታት ትግርኛን ዓረብን የዳልው።ነቲ መደባት ኸአ ናብ ኤርትራ ብሳተላይትን ብሓጺር ማዕበልን ይበጽሕ። ይኹን ደአ እምነር ንይርጋኣለምን ካልኦት ኤርትራዊያን ጋዜጠኛታት ሓሳብካ ብነጻነት ናይ ምግላጽ ዕድል ክመጽእ ገና ሃረር ይብሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%A0%E1%88%B5%E1%88%A9-%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%B3%E1%89%A5-%E1%88%95%E1%8C%82-%E1%89%B0%E1%8B%B3%E1%8C%92%E1%8A%96%E1%88%9D-%E1%8B%AD%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1\/4903102.html"} {"headline":"ዓለምለኸ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ኣብ መላእ ዓለም ተዘኪሩ ውዒሉ","content":"ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 3 ግንቦት ዝኽበር ናጽነት ፕረስ ዓለም ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ተዘኺሩ ውዒሉ’ሎ።ኣብዚ ሕጂ እዋን ጋዜጠኛታት ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ዓለም ፅልኢትን ተፃብኦን የጋጥሞም ኣሎ።ኣብ ኢትዮጵያ ንዝኽሪ’ቲ መዓልቲ ኣብ ዝተካየደ ዋዕላ ኣብታ ሃገር ንዝተረኣየ ኣወንታዊ ለውጥን ዘለው ፈተናታትን ዳህሲሱ። ንጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት (Reporters Without Borders) ዝተባህለ ዓለምለኸ ትካል ብመሰረት ዘውፅኦ ፀብፃብ ገና ሓሙሽተ ወርሒ ዘቑፀረ ዓመተ 2019 ብሰንኪ ምውሳኽ ፅልኢ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ናፃነት ፕረስ እናንቆልቆለ ይኸይድ ኣሎ ኢሉ። ውልቀመለኽቲ መንግስታት ንመሓውራት ዜና ንምቁፅጻር ኣብ ዝፍትንሉ እዋን ጋዜጠኛታት ኣብ ዙሪያ ዓለም ዒላማ ይኾኑ ኣለው።ብመሰረት ሓድሽ መፅናዕቲ ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ስግኣትን ፍርሕን ኣብ ዙሪያ ዓለምን ኣሜሪካን ንናጽነት ፕረስ እናፅበቦ ይርከብ። ዳይሬክተር ንደሕንነት ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ (Committee to Protect Journalist) ዝተባህለ ትካል ዝነበሩ ሮበርት ማሆኒ እዚ ኣብ ልዕሊ ዓንድታት ዲሞክራሲ ዝፍፀም መጥቓዕቲ እዩ ይብሉዎ። “መንግስታት ክሕተቱን ግሉጽነት ክህልዎምን ኣብ ቅድሚት መስርዕ ኮይኖም ዝቃለሱዎም ዘለው ጋዜጠኛታት እዮም።ናይ ሰባት ኣተሓሕዛ መሰላት እንታይ ይመስል? ናይ ኸፈልቲ ግብሪ ገንዘብ ኣብ ምንታይ ይውዕል ኣሎ?ጋዜጠኛታት እንተ ዘይህልው መንግስታት ነዞም መሰላት ዝድርቱ ፖሊስታት ይፍፅሙ፤ብልሽውና ይነግስ ማለት እዩ።” ንኣባላት ፕረስ ንምፍርራሕ ዝጥቀሙሎም ስልትታት መጥቓዕትታት ኮምፒተር፣ማእሰርቲ፤ዓፊንካ ምውሳድን ኣብ ገሊኡ ድማ ብምቕታል እዩ። ቻይናን ሰሜን ኮሪያን ካብተን ዝኸፍኣ ዓፈንቲ ፕረስ ገሊአን እየን።ኣሜሪካ እውን ብሰለስተ ነጥብታት ወሪዳ’ላ።ዝለዓለ ስልጣን ንዝሓዙ ‘ናይ ሓሶት ዜና’ (Fake News) ዝብል ስም እንተተወሃቦም እውን ጋዜጠኛታት ሕጂ እውን ናይ ኣሜሪካ ሕገ መንግስቲ ሓለዋ ይገብረሎም፤ስርሖም ክቕፅሉ እውን ዓቕሚ ይህቦም እዩ። ኣብ ሓደ እዋን ካብ ሃገራት ኤስያ ናጽነት ፕረስ ዓምቢቡላ ናይ ዝነበረት ፊሊፒንስ ፕረዚደንት ሮድሪጎ ዱተርቴ ፕረስ ክፅላእ ኣበርኽቶ ምግባሮም ቀፂሎም ኣለው። ተሓለቕቲ መሓውራት ዜና ከምዝገለፁዎ ራፕለር ዶት ካም ኣብ ልዕሊ ዝተባህለ መራኸቢ ማዕኸን ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ይገልፁ።ዋና ፈፃሚት ስራሕን ኣሰናዳኢትን ራፕለር ዶት ካም (Rappler.com) ማሪያ ረሳ ካብ ማኒላ ፊሊፒንስ ከምዚ ትብል። “ኣብቶም ዝሓለፉ 14 ኣዋርሕ እንተድኣ ሪኢና መንግስቲ ፍሊፒንስ ኣብ ልዕሌና 11 ክስታት ኣቕሪቡ’ሎ።ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ሸሞንተ ግዜ ዋሕስ ኣትሒዘ።ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ሰሙናት ክልተ ግዜ ተኣሲረ ሓደ ግዜ ድማ ኣብ ቀይዲ ኣትየ ነይረ።እዚ ዘርእዮ ናይ ፕረስ ናጽነትና ፍፁም ምሽርሻሩ እዩ።” ብመሰረት ፀብፃብ ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ኖርወይ ዝለዓለ ነጥቢ ረኺባ’ላ።ብሓፈሻ ግን ኣተሓሕዛ መሓውራት ዜና ፅቡቕ ሽም ዝነበረን ሃገራት የንቆልቁላ ኣለዋ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኸብረ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ መደረ ዘስምዑ አጋይሽ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኣብ ኣተሓሕዛ መራኸቢ ብዙሃን ብዘርኣየቶ ምምሕያሽ ንኢዶምዋ። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ስልጣን ካብ ዝሕዙ መዕቀኒ ናጽነት ፕረስ ኢትዮጵያ ካብ ካልኦት ሃገራት ብዝለዓለ ንላዕሊ ደይቡ’ሎ፤ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ብ40 ደረጃ ኣማሓይሻ’ላ። No media source currently available ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድን ካልኦትን ኣብቲ ስነስርዓት ኣብዘስምዕዎ መደረ ኣብ መንጎ ዝወሰኸ ደረጃ ናጽነት ፕረስን ሓደጋታት ዘይሓላፍነታዊ መሓውራት ዜና ሚዛን ምሓዝ ከምዘድልይ ገሊፆም ኣለው። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዙሪያ ዓለም ኣስታት 100 ጋዜጠኛታት ተቐቲሎም ልዕሊ 300 ድማ ተአሲሮም። ፓኪስታናዊ ጋዜጠኛ ሓሚድ ሚር ዩኒስኮ ዓለምለኸ መዓልቲ ፕረስ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካይዶ ዋዕላ ንክሳተፍ ምስተዓደመ ንጋዜጠኛታት ትኣስር ዝነበረ ሃገር ንምንታይ ኢሉ ከምዝሓተት ይገልፅ። “ንዓይ ዓብዪ ኣግራሞት ፈጢሩለይ” ዝበለ ንሱ \"ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኣብ 2018 ጥራሕ ኢትዮጵያ ንብዙሓት ጋዜጠኛታት ኣሲራ ዝነበረት ሃገር እያ።ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን መፂኦም ንመሓውራት ዜና ነፃ ክሳብ ዝገብሩ ብዙሓት ጋዜጣታትን መርበብ ሓበሬታትን ተኣጊደን እየን ነይረን።ንኩሎም ፖለቲካዊ እሱራት ብዙሓት ጋዜጠኛታትን ፈቲሖምዎምን እዮም።ስለዝኾነ ዩኔስኮ ንመዓልቲ ናጽነት ፕረስ ዝምልከት ዋዕላ ኣብ ኢትዮጵያ ምክያዱ ርትዓዊ እዩ” ይብል። ናይቲ ለውጢ መራሒ ዝኾኑ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ግን ኣብዚ ናይ ሓሶት ዜናታት ዓብይ ስግኣት ዝኾነሉ ዲጂታላዊ ዘመን ሓላፍነት ዝመልኦ ሞያ ጋዜጠኝነት ኣድላይ ምዃኑ ብትሪ ገሊጾም። ዓሌታዊ ግጭት ኣብቶም ዝሓለፉ ኣዋርሕ ንዝተረኽቡ ለውጥታት ኣብ ስግኣት ኣውዲቑዎ ይርከብ።ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ 3 ሚሊዮን ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ኣለው። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ሓላፍነት ዘይስምዖም ማዕናት ዜና ንሰላምን ፀጥታን እታ ሃገር ስግኣት ፈጢሮም ኣለው ኢሎም ። “መሓውራት ዜና ተፈጢሩ ዘሎ ፅቡቕ ሃዋህው ክጥቀሙ ከለው ድምፆምን ብርዖምን ስነ ምግባርን ኣብ ግምት ብምእታው ክኸውን ኣለዎ።ምኽፋት ሃዋህው ሚዲያ ንጌጋ ሓበሬታ፣ናይ ፅልኢ መደረ ንምስፍሕፋን ንናይ ሓሶት ዜናን መሳለጢ ከይኸውን ከነረጋግፅ ኣለና።” ኢትዮጵያዊት ጋዜጠኛ ፀዳለ ለማ ናይ መሓውራት ዜና ህዝበኝነት እናዓበይ ይኸይድ ስለዘሎ ንናጽነት ፕረስ ኣብ ሓደጋ ከየውደቕካ ገለ ክግበር ከምዘለዎ ትዛረብ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%8A%93%E1%8C%BD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%88%8B%E1%8A%A5-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%8A%AA%E1%88%A9-%E1%8B%8D%E1%8B%92%E1%88%89\/4903079.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ኣሰናዳእን መስራትን ጋዜጣ ሰቲት ኣሮን ብርሃነ","content":"ጽባሕ ግንቦት 3,2019 ዓለምለኸ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ’ዩ። ነዛ መዓልቲ ምክንያት ብምግባር ንመስራትን ኣሰናዳእን ናይ ውልቂ ጋዜጣ ሰቲት ነበር ኣብዚ እዋን’ዚ ብስደት ኣብ ካናዳ ዝነብር ዘሎ ኣሮን ብርሃነ ኣዘራሪብናዮ ኣለና። ኣሮን ብርሃን ኣብዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዝዝከር መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ነቶም ተአሲሮም ዘለው ብጾተይ ክሓስብ ትሕግዘኒ ዓባይ መዓልቲ እያ ይብል። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ካልኣይ ክፋል ቃለ-መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%88%B0%E1%8A%93%E1%8B%B3%E1%8A%A5%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A3-%E1%88%B0%E1%89%B2%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%AE%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%83%E1%8A%90\/4901372.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ናይዚ ዓመት’ዚ ናይ ዩኒስኮ ሽልማት ሰላም ተዓዋቲ ኮይኖም","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ብዘካየድዎ ኣበርክቶ ሰላም ናይዚ ዓመት ናይ ዩኒስኮ ናይ ሰላም ሽልማት ተዓዊቶም። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ተዓዋቲ ሽልማት ሰላም ምዃኖም ወግዓዊ ዝገበራ ዋና ዳይረክተር ዩኒስኮ ኦድሬ ኦዝሌ መበል 26 ናይ ዓለም ናይ ፕረስ ነፃነት ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝዝኸረሉ ዘሎ መደረኽ እዩ። ናይ ክብሪ ጋሻ ዝኾና ናይ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ብወገነን ከምዚ ክብላ መልሲ ሂበን። “መደረይ ንምጅማር ዝደልይ ንዩኔስኮን ናይ ዩኒስኮ ናይ ሰላም ሽልማት ዝውስኑ ክቡራት ዳያኑ ናይ ሎሚ ናይ ዩኒስኮ ሽልማት ሰላም ንቀዳማይ ሚንስትርናና ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ንምሽላም ምውሳኖም ብምምስጋን እዩ።” ናይ ዩኒስኮ ሽልማት ሰላም ዝውሃቦም ዓለምለኸ ግጭታትን ብዕርቂ ብምፍታሕ ዝፍለጡ ውልቀሰባት እዮም።ቅድሚ ሎሚ ተሸለምቲ ካብ መንጎ ዝነበሩ ናይ ፈረንሳይ ፕረዚደንት ፍራንሱዋ ኣሎንን ኔልሰን ማንዴላን ይርከቡዎም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%93%E1%8B%AD%E1%8B%9A-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%8B%9A-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%8A%AE-%E1%88%BD%E1%88%8D%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%8A%E1%89%B2-%E1%8A%AE%E1%8B%AD%E1%8A%96%E1%88%9D\/4901355.html"} {"headline":"ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ኣምሓራ ዝካየድ መጥቓዕቲ ደው ይበል ዝብል ሰልፊ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ተካይዱ","content":"ኣብ ከተማታት ባህርዳር፣ደብረማርቆስ፣ጎንደር፣ፍኖተ ሰላም፣ደብረታቦርን ካልኦት ከተማታትን ክልል ኣምሓራ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ። ዕላማ እቲ ሰልፊ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ ዝወርድ ዘሎ መጥቓዕቲ ደው ይበል፣ናይ ፊደራል ኮነ ናይ ክልል መንግስታት ሸለልትነት የብቅዕ ዝብልን ካልእን ምዃኑ ኣተሓባበርቲ ሰልፊ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ብሄረሰብ ኣዊ ወረዳ ዳዌ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ማሕበረሰብ ጉሙዝ ዕጡቓት ክልል ኣምሓራ ከቢድ ቅትለት ፈፂሞም ክብል ቢሮ ፀጥታን ድሕነትን ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ገሊፁ። እቲ ቕትለት ዝተፈፀመሉ ዕለት ኣፃሪዮም ከምዘፍልጡ ዝገለፁ ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ድሕነትን ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣቶ ኣበራ ባይታ ብዛዕባ እቲ መጥቓዕቲ ከምዚ ኢሎም። “ብዕጡቓት ክልል ኣምሓራ ቁፅሮም ክንድዚ ኢልካ ንምግላፅ ክሳብ ዘፀግም ብጅምላ እዮም ተጨፊጪፎም።ኣብ ሓደ መዓልቲ እዩ ተፈፂሙ።ብርክት ዝበለ ሰብ እዩ ተጨፍጪፉ።ብጅምላ’ዮም ተቐቢሮም።” ኣቶ ኣበራ ብተወሳኺ ብ22 መኻይን ዝመፁ ዕጡቓት ብሓይልታት ምክልኻል ተለሚኖም ንድሕሪት ምስ ተመልሱ ንፋብሪካ ሽኮር ጣና በለስ ዝውዕል ተኽሊ ቃንጫ ሽኮር ኣቃፂሎም ኢሎም ። “ብሰራዊት ምክልኻል ተለሚኖም ተመለሱ ምስተብሃሉን ካልኦት ዝርርባት እውን ምስተኻየዱን ብስምዒትን ሕርቓንን ተደፋፊኦም ናይ ፕሮጀክት ፋብሪካ ጣና በለስ ዝኾነ ናይ ቓንጫ ሽኮር ሕርሻ ሓዊ ከምዝሰደድሉ እውን ሓበሬታ’ሎ።” ንሶም ቀጺሎም ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ከባቢታት ዳንጉርን ማምቡክን ግልግል በለስን ኣብ ገለ ወረዳታት ዝነበሩ ግጭታትን ደው ከምዝበለን ኣብ ክልል ኣምሓራ ጃዊ እውን ሓይልታት ምክልኻል ብምእታዎም ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ግጭት ደው ኢሉ’ሎ ኢሎም።ህዝቢ ምስ ህዝቢ ናይ ምይይጥ መደረኻት እውን ይካየዱ ኣለው ኢሎም። ቅድሚ ኢሉ ዝነበረ ግጭት ንምፍታሕ ናይቲ ክልል ዋና ኣማሓዳሪ ሓዊሱ ፈቖዶ ጣቢያታት እናዞሩ ነቲ ህዝቢ እናረጋግኡ ኣብዝርከብሉ እዋን ናይ ጅምላ ዝመስል ቕትለት ምፍፃሙ ኢሰብኣዊን ክውገዝ ዘለዎን ተግባር ስለዝኾነ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ይኹን ፌደራል መንግስቲ ፈጸምቲ'ዚ መጥቓዕቲ ናብ ሕጊ ከቕርቡዎም ድፍኢት ክንገብር ኢና ኢሎም። ብዛዕባ እዚ ካብ ክልል ኣምሓራ መልሲ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B6-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%8B%AD%E1%89%A0%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%89%B0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/4901323.html"} {"headline":"ኤርትራ፡ ኣብ ሊብያ ተቐርቂሮም ዘለዉ ዜጋታተይ ናብ ዓዶም ከይመልስ ትካል ስደተኛታት ሕ\/ሃ የተዓናቕፍ ኣሎ ትብል","content":"ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ፡ ኣብ ሊብያ ኣብ መጻብቦ ኩናት ወዲቖም ዘለዉ ዜጋታት ናብ ዓዶም ኣብ ምምላስ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት የተዓንቕፎ ኣሎ ዝብል መረረት ንምቕራብ፡ ኣብ ኤርትራ ወኪል`ቲ ትካል ጸዊዑ ከምዘዘራረቦ፡ ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ኣብ ዝለኣኾ ሓበረታ ኣፍሊጡ። ኤርትራ እቲ ትካል ስደተኛታት፡ ናብ ሳልሳይቲ ሃገር ወሲድና ክነስፍረኩም ኢና ብዝብል ንገለ ኤርትራውያን ኣብ ኒጀር ኣብ ዝርከብ ዝተጎሳቖለ ካምፕታት ኣቐሚጥዎም ይርከብ ትብል ። ድምጺ ኣሜሪካ ናብ ሊብያ ደዊሉ ዘዘራረቦም ኤርትራውያን ኢና ዝበሉ ክልተ ስደተኛታት፡ ናብ ኤርትራ ክንምለስ ድልየት የብልናን ኢሎም። ኣቶ የማነ ብኻልእ ወገን፡ 50 ኤርትራውያን ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ናብ ኤርትራ ብድልየቶም ከምዝተመልሱ ብምጥቃስ፡ ካልኦት 18 ሎሚ ይምለሱ ከምዘለዉ ኣብ ናይ ትማሊ ትዊተሩ ገሊጹ ኔሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8A%E1%89%A5%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%89%90%E1%88%AD%E1%89%82%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%89-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B0%E1%8B%AD-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%8B%B6%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%8B%AD%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8B%A8%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8A%93%E1%89%95%E1%8D%8D-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%89%B5%E1%89%A5%E1%88%8D\/4899731.html"} {"headline":"ኩነታት ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣቓልቦ ክረኽብ ኤርትራዊያን ነበርቲ ኣውሮጳ ጉዕዞ ብሽክለታ የካይዱ","content":"ኩነታት እቶም ኣብ ሊብያ ተገዲዖም ዘለው ኤርትራዊያን ኣፍልጦ ህዝቢ ዓለም ንምዕባይን ትኹረት ዝምልከቶም አካላት ንምርካብ ኣብ ኣውሮጳ ዝነብሩ ኤርትራዊያን 'ጉዕዞ ብሽክለታ ንፍትሒ' ብዝብል ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ጉዕዞ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ጀሚሮም ኣለው። ንገለ ካብኣቶም ኣዘራሪብና ኣለና ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8A%E1%89%A5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%93%E1%88%8D%E1%89%A6-%E1%8A%AD%E1%88%A8%E1%8A%BD%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%88%AE%E1%8C%B3-%E1%8C%89%E1%8B%95%E1%8B%9E-%E1%89%A5%E1%88%BD%E1%8A%AD%E1%88%88%E1%89%B3-%E1%8B%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/4899707.html"} {"headline":"ባህርዳር፡ ዘወርቲ ዓበይቲ መኻይን ጸጥታና ይተሓለወልና ኢሎም ሰልፊ ወጺኦም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዘወርቲ መኻይን ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን ዓፈናን መንግስቲ ደው ከብሎ ዝፅውዕ ሰልፊ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ተኻይዱ።ነቲ ሰልፊ ዘካየድዎ ዘወርቲ ዓበይቲ መካይን ክኾኑ ከለው ነቲ መጥቓዕቲ ደው እንተዘይሉ ስራሕ ደው ከምዘብሉ ገሊጾም ኣለው። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሰላምን ድሕነትን ክልል ኣምሓራ ጀነራል ኣሳምነው ፅጌ እቲ ፀገም ኣብ ቀረባ ፍታሕ ክረክብ እዩ ኢሎም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%AD%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%8B%98%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%93%E1%89%A0%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3%E1%8A%93-%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%88%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%8A%93-%E1%8A%A2%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8B%88%E1%8C%BA%E1%8A%A6%E1%88%9D-\/4898076.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ 146 ሓተቲ ዑቕባ ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ምግዓዙ ገሊጹ","content":"ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሶኑይ 146 ሓተቲ ዑቕባ ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ምግዓዙ ሓቢሩ። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት እዚ ናይ ሶኑይ ምግዓዝ ስደተኛታት ካብ 2017 ንደሓር ዝተኻየደ ሓሙሻይ ምግዓዝ ምዃኑ ብምግላጽ ኣቐዲሙ ስደተኛታት ናብ ኒጀርን ካልኦት ሃገራት ምግዓዙ ይዝከር። ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፈደሪኮ ፎሲ እቲ ምግዓዝ “ህጹጽ”ን “ አንጻር ጊዜ ዝካየድ ውድድር” ዩ ክብሉ ገሊጾምም ኣለው። ንሶም ብተወሳኺ ኣብዚ ጊዜ’ዚ ኣስታት 3,300 ስደተኛታት ኣብ መዳጎኒ ማእከል ሊብያ ተቐርቒሮም ከምዝርከቡ ሓቢሮም ኣለው። ካብቶም ትማሊ ሶኑይ ኣብ ከተማ ሮማ ዝኣተው ስደተኛታት 68 ትሕቲ ዕድመ ኽኮኑ ከለው ካብኦም 46 ድማ አላይ ዘይብሎም ህጻናት'ዮም። 60 ድማ ደቂ ኣንስትዮ እዮም። መብዛሕትኦም እቶም ስደተኛታት ካብ ኤርትራ፡ሶማል፡ሱዳን፡ሶርያን ኢትዮጵያን ዝመጹ ምዃኖም’ውን ተገሊጹ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-146-%E1%88%93%E1%89%B0%E1%89%B2-%E1%8B%91%E1%89%95%E1%89%A3-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%8A%E1%89%A5%E1%8B%AB-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%8C%A3%E1%88%8D%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%8B%93%E1%8B%99-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4897514.html"} {"headline":"ምድላዋት ኣገልግሎት መጉዓዝያ ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምዝተዛዘመ ይግለጽ","content":"ምድላዋት ኣገልግሎት መጎዓዝያ ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምዝተዛዘመን ንምጅማር ድልው ከምዘሎን ሚንስተር መጉዓዝያ ኢትዮጵያ ዳግማዊት ሞገስ ኣፍሊጣ። ከም ሓበረታ ኢዜኣ ብዛዕባ ደረጃ`ቲ ምድላው ንባይቶ ኢትዮጵያ ሪፖርት ዘቕረበት ሚንስተር ዳግማዊት፡ ነቲ ስራሕ ንምጅማር ውሳነ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራሕ ይጽበዩ ከምዘለዉ ኣፍሊጣ። ንፕሮቶኮል ዝምልከት ጉዳያት ናብ ሚንስትሪ ወጻኢ ኢትዮጵያ ከምዘረከቡ`ውን ወሲኻ ሓቢራ። ባይቶ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ነቲ ምዕባለ ኣመጉሱ፡ እቲ ስራሕ ቀልጢፉ ክጅመር ኣተሓሳሲቡ። ብኻልእ ወገን፡ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ዝጀመረቶ ናይ ንግዲ ርክብ ሕጋዊ መስመር ንምትሓዝ ናይ ጉምሩክ መቆጻጸሪ ነቑጣታት ከምዝተዋደደ ኮሚሽን ጉምሩክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ኣብ ጨንፈር መቐለ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣቶ ምሕረተኣብ ገብረመድህን ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ ሓበረታ፡ ምንቅስቓስ ንግዲ ኣታውን ወጻእን ሕጋውነት ዘልብሱ ተግባራት ተጻፊፎም ኣለዉ ኢሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%8B%E1%8B%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%89%E1%8B%93%E1%8B%9D%E1%8B%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%8B%98%E1%88%98-%E1%8B%AD%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BD\/4896351.html"} {"headline":"ብዕጡቓት መጥቃዕቲ ዝበፅሖም ኣባላት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ዋልታ ፖሊስ ናብ ከተማ መቐለ ኣትዮም","content":"ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ብዕጡቓት መጥቃዕቲ ዝበፅሖም ኣባላት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ዋልታ ፖሊስ ትግራይ ናብ ከተማ መቐለ ኣትዮም። ህይወቱ ዝሓለፈ ተፃዋቲ ብቀዳም ስነ ስርዓት ቀብሩ ዝተፈፀመ ኮይኑ ዝቖሰሉ ድማ ሕክምና ይረኽቡ ምህለዎም ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ኮማንደር ሙሉ ዶሞዝ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቦም። ንሶም ሓደጋ ዘብፅሑ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ናይ ምውዓል ስርሓት ምስ መንግስቲ ዓፋርን ሰራዊት ምክልኻልን ብሓባር ይስራሕ ምህላዉ ገሊፆም ሓደሽቲ ምዕባለታት ኣለዉ እሞ ኣብ ቀረባ እዋን ንህዝቢ ክነፍልጥ ኢና ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%83%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%8D%85%E1%88%96%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8C%8B%E1%8A%95%E1%89%B3-%E1%8A%A9%E1%8B%95%E1%88%B6-%E1%8A%A5%E1%8C%8D%E1%88%AA-%E1%8B%8B%E1%88%8D%E1%89%B3-%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%88%9D\/4896278.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ንጥርጡር ገበን ቅትለት ንኣሜሪካ ኣሕሊፋ ከምትህብ ኣፍሊጣ","content":"ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ብቅትለት ክልተ ሰባት ዝተጠርጠረ ኢትዮጵያዊ ኣሜሪካዊ ናብ ኣሜሪካ ኣሕሊፎም ከምዝህብዎ ኣፍሊጦም። ፈደራል ዓቓብ ሕጊ ብቅትለት ክልተ ሰባት ዝተጠርጠረ ኢትዮጵያዊ ኣሜሪካ ዮሃንስ ነሲቡ ናብ ኣሜሪካ ኣሕሊፉ ክወሃብ ምውሳኑ ሓቢሩ’ሎ። ወሃቢ ቃል ፈደራል ዓቓብ ሕጊ ዝናቡ ተኑ ንኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል “ እቲ ጥርጡር ብቕትለት ትውልደ ኢትዮጵያዊያን ዝኾኑ ክልተ ውልቀሰባት’ዩ ተኸሲሱ ዘሎ” ድሕሪ ምባል ናብ ኣሜሪካ ክርከብ ዝቐረበ ጠለብ ብክፍሊ ፍትሒን ገበንን ኣሜሪካ ዝቐረበ ምኳኑ ብምግላጽ በቲ ክፍሊ ዝቐረበ ጭብጢ ድሕሪ ምርኣይ ኣሕሊፉ ክወሃብ ከምዘለዎ ምውሳኑ ሓቢሮም። እቲ ጥርጡር ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝርከብ’ውን ተፈሊጡ’ሎ። ፈተወትን ስድራቤትን ጥርጡር ግን ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ገበነኛ ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ስምምዕ ከምዘይብለን ብምግላጽ ሕቶታት የልዕሉ ኣለው። ጠበቓ ጥርጡር ስመኝህ ኪሮስ እቲ ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ መስርሕ ብቤት ፍርዲ ክሓልፍ ከምዝግባእ ብምግላጽ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ድማ ገበነኛ ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ስምምዕ ከምዘየለ ይገልጽ። ስድራቤት ብወገኖም ወዶም ቅድሚ ክልተ ወርሒ ብፖሊስ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ይገልጹ። ኣቦ ጥርጡር ኒሲቡ በዛብህ “ ዩሃንስ ኣብ ኣሜሪካ ናብ ፍርዲ እንተቐሪቡ ናይ ሞት ፍርዲ ክወሃቦ ይክእል’ዩ። ብተወሳኺ ገበነኛ ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ስምምዕ ናብ ዘይብላ ሃገር ክወሃብ የብሉን። እዚ ናይ ሉኣላዊነት ጉዳይ እውን እዩ” ይብሉ። ወሃቢ ቃል ፈደራል ዓቃቢ ሕጊ ብኣንጻሩ ቤት ጽሕፈቶም ገበነኛ ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ መዝነትን ሓላፍነትን ከምዘለዎ ይገልጹ። ብተወሳኺ ጥርጡር ኣሜሪካዊ ዜግነት ዘለዎም ምዃኑን መሰሉ ብሰበ ስልጣን ኣሜሪካ ዝተሓለወ ምዃኑ ይገልጹ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8C%A5%E1%88%AD%E1%8C%A1%E1%88%AD-%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%8A%95-%E1%89%85%E1%89%B5%E1%88%88%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%8A%E1%8D%8B-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%88%85%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A3\/4895970.html"} {"headline":"ንስምምዕ ኢትዮ-ኤርትራ ተግባራዊ ንምግባር ናይ ቴክኒክ ኮሚቴ ምጥያሱ ተገሊጹ","content":"ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተበፅሐ ስምምዕን ርክብን ዝርዝር ጉዳያት ተግባራዊ ንምግባር ብኽልቲአን ሃገራት ዝተጣየሸ ናይ ቴክኒክ ኮሚቴ ስርሑ ብፅቡቕ ኩነታት የሳልጥ ከምዘሎ ወሃቢ ቃል ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ነብያት ጌታቸው ኣፍሊጦም። ወሃቢ ቃል ሚንስትር ጉዳያትት ወፃኢ ኢትዮጵያ ትማሊ ሓሙስ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መግለፂ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝዳህሰሱ ክኾኑ ከለው ብዛዕባ ርክብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዝሃብዎ ቃል እቲ ናይ ቴክኒክ ኮሚቴ ስርሑ ይሰርሕ ኣሎ፤እዞም ዝርዝር ስራሓት ነቲ ርክብ ትካላዊ ቕርፂ ከትሕዝዎ እዮም ኢሎም። “ዝቕፅል ርክብ ክልቲአን ሃገራት ትካላዊ ቕርፂ ስለዘትሕዝዎ ነፍሲ ወከፍ ዝርዝር ጉዳያት ምላሽ ክረከብ እዩ።ስለዚ ካብ ዘሎ ሓፈሻዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ዘሎ ኩነታት ዝተፈለየ ሓበሬታ ከምዘየለን ትካላዊ ቕርፂ ንምትሓዝ ዝስርሑ ስርሓት ብዝተታሓዘሎም ናይ ግዜ ሰደቓ ይሰላሰሉ ምህላው እየ ክዛረብ ዝኽእል”ኢሎም ። ንኢትዮጵያ ኤርትራን ዘራኽቡ ኣርባዕቲኦም መስመራት ንመኻይን ኣብ ዝተዓፅውሉ እዋን ነዚ መግለፂ ዝሃቡ ምሃቦም ዝገለጸ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ብዛዕባ ምዕጻው መስመራት ግን ዘውጽኦ ዜና የለን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%B0%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%B4%E1%8A%AD%E1%8A%92%E1%8A%AD-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B4-%E1%88%9D%E1%8C%A5%E1%8B%AB%E1%88%B1-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4893312.html"} {"headline":"ክልል ዓፋር: ስፖርተኛታት ጽዒና ኣብ ዝነበረት ኣውቶቡስ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ተኹሲ 1 ሰብ ሞይቱ፡5 ቆሲሎም","content":"ኣብ ክልል ዓፋር ስፖርተኛታት ፂዒና ትጓዓዝ ኣብ ዝነበረት ኣውቶቡስ ዕጡቓት ብዝኸፈትዎ ተኹሲ ሓደ ሰብ ክሞውት ከሎ 5 ድማ ቆሲሎም። ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ዋልታ-ፖሊስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበራ ጸወታ ፈጺማ ናብ ትግራይ ተምርሓሉ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን መንነቶም ብዘይተፈለጡ ኣካላት ኣብ ክልል ዓፋር ገዋኔ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ሎሚ ዓርቢ ከባቢ ሰዓት 3:30 ረፋድ ብዝተፈነወ መጥቃዕቲ ህይወት ሓደ ሰብ ክጠፍእ ክኢሉ ክብሉ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ ኮማንደር ሙሉ ዶሞዝ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቦም። ብተወሳኺ ካብቶም ዝቖሰሉ ሓደ ከቢድ ጉድኣት ዝበፅሖ ክኸውን ከሎ ኣርባዕተ ድማ ቀሊል ጉድኣት በፂሕዎም ኢሎም። ጉድኣት ዝበጽሖም ወገናት ብሄልኮፕተር ናብ ቢሾፍቱ ተወሲዶም ኣገልግሎት ሕክምና ክረኽቡ ተገይሩ’ሎ። ሓላፊ ኮሚኒኬሽን ክልል ዓፋር ኣይተ ኣሕመድ ሳሎይታ ብወገኖም በቲ መጥቃዕቲ ህዝብን መንግስትን ዓፋር ሓዘን ከምዝተሰምዖም ብምግላፅ እቲ ሓደጋ ዘብፅሑ ኣካላት ኮንትሮባንዲስት እዮም ኢሎም። ኣይተ ኣሕመድ እቲ መጥቓዕቲ ዝተፈጸመሉ ዕንዱፎ ኣብ ዝበሃል ብበዝሒ ዓሌት ዒሳ ኣብ ዝርከብሉ እዩ ክብሉ ወሲኾም ተዛሪቦም። ሓደጋ ዘብፅሑ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ንምውዓል ብፖሊስ ፌደራልን ሰራዊት ምክልኻልን ተሓጊዞም ይስራሕ ምህላዉ ተዛሪቦም። አስከሬን ህይወቱ ናይ ዝሓለፈ ተፃዋታይን ካልኦት ጉድኣት ዝበፅሖምን ፅባሕ ንጉሆ ናብ መቐለ ክኣትዉ እዮም ተባሂሉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD-%E1%88%B5%E1%8D%96%E1%88%AD%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8C%BD%E1%8B%92%E1%8A%93-%E1%89%B5%E1%8C%89%E1%8B%93%E1%8B%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%89%B6%E1%89%A1%E1%88%B5-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%8A%B9%E1%88%B2-1-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B1-5-%E1%89%86%E1%88%B2%E1%88%8E%E1%88%9D\/4893208.html"} {"headline":"ክልተ ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብ ዓረና ካብ ኣባልነት’ቲ ውድብ ምውጽኦም ኣፍሊጦም","content":"ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብ ዓረና ትግራይ ዝኾኑ ኣይተ ኪዳነ ኣመነን ኣይተ ክብሮም በርሀን ካብ ኣባልነት ውድብ ከምዝወፁ ኣፍሊጦም። ኣብቲ ውድብ ክመዓራረዩ ዝግበኦም ፀገማት ብቅልጡፍ ብዘይምዕራዮም ካብቲ ውድብ ምልቃቖም'ውን ገሊፆም። ናይ ባዕሎም ሓዱሽ ውድብ ንምምስራት ናብ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ሕቶ ከምዘቕረቡ ኣይተ ኪዳነ ኣመነ ተዛሪቦም። ኣመራርሓ ውድብ ዓረና ኣብዚ ጉዳይ ሓቲትናዮም ኣብቲ ጉዳይ ጠሚቱ ኣብ ቀረባ መግለፂ ክንህብ ኢና ዝብል ምላሽ ሂቦም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%AD%E1%88%93-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%8A%93-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%89%B2-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%8C%BD%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A6%E1%88%9D\/4893050.html"} {"headline":"ሰበ ስልጣን ሊብያ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ሕጽረት ቐረብ ከምዘሎ ይገልጹ","content":"ሰበስልጣን ሊብያ ጠለብ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ከተማ ታጁራ ዘለው ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ንምምላእ ሕጽረት ቐረብ ከምዘሎ ትማሊ ረቡዕ ገሊጾም። ከተማ ታጁራ ኣብ መንጎ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ’ታ ሃገርን ኮማንደር ምብራቓዊ ሊብያ ከሊፋ ሃፍተር ኹናት ዝካየደሉ ቦታ ተዳወብ ከተማ’ያ። ኣብታ ከተማ ዝርከብ መዳጎኒ ማእከል መብዛሕትኦም ካብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ዝመጹ ኣስታት 550 ስደተኛታት ከምዘለውን ሕጽረት መግቢ ከምዘሎ ዳይሬክተር’ቲ ማእከል ኑር ኢለዲን ቃርልቲ ይገልጹ። እዚ ዝግለጽ ዘሎ መንግስቲ ኢጣልያ ሕብረት ኣውሮጳ ካብቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ግጭት ዘምልጡ ስደተኛታት ዘካይድዎ ስደት ዝምልከት ውጥን ክሕንጽጹ ኣብ ዝጸውዓሉ ዘሎ ጊዜ’ዩ። ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ጋሲም ሳልም ኣብ መንጎ ተዋጋእቲ ወገናት ሊብያ ኣብ ዝመጽእ ክልተ ሰሙን ልዝብ ክጅመር ተስፋ ከምዘሎ ይገልጹ ኣለው። ኣብ ሊብያ እዚ ዳሕረዋይ ኹናት ካብ ዝጅምር ኣስታት 3,600 ስደተኛታት ኣብ መዳጎኒ ማእከል ተቐርቒሮም ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ።ብመሰረት ሓበሬታ ውዱብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙናት ኣስታት 264 ሰባት ክሞቱ ከለው 1,266 ድማ ቆሲሎም ኣለው። እቲ ትካል ብተወሳኺ ብዝሒ ዘለዎም ሰላማዊያን ሰባት ኣብ ናይ ሕክምና ማእከላት ተዓቑቦም ዘለው ክኾኑ ከለው ኩነታት ኣብ ብመንግስቲ ዝመሓደሩ መዳጎኒ ማእከል ዝርከቡ ስደተኛታት ከምዘሻቐሎም ይገልጹ ኣለው። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%88%8A%E1%89%A5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%B3%E1%8C%8E%E1%8A%92-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%8C%BD%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%89%90%E1%88%A8%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B9\/4892826.html"} {"headline":"ምህናጽ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ብዝብል ኣብ ለንደን ዝተቓነዐ ጉባኤ","content":" ምህናጽ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ብዝብል ኣርእስቲ ኤርትራዊያንን ብዛዕባ ኤርትራ ዝግደሱ ወጻእተኛታትን ምሁራትን ዝተኻፈልሉ ጉባኤ ኣብ ከተማ ለንደን ሴነት ሃውስ ዩኒቨርሲቲ ለንደን ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ተኻይዱ። እቲ ብምትሕብባር ‘ኤርትርያ ፎካስ’ ዝተባህለ ምትእኽካብ ሲቪክን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ብጉዳይ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝግደሱ ውልቀሰባትን ማሕበር ምስ ኢንስትዩት መጽናዕቲ ኮመንወልዝ ዝተዳለወ ጉባኤ ንእዋናዊ ኩነታት ኤርትራ ዝዳህሰሰን ክመጽእ ንዝክእል ዝበልዎ ለውጢ ተዳሊኻ ንምጽናሕ ዲሞክራሲ ንምህናጽ ብድሆታት ኣለሊኻ ንምስራሕን ምዃኑ ኣዳለውትን ተሳተፍቲን’ቲ ጉባኤ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም። ኣብቲ ኣኼባ መጽናዕታዊ ጽሑፋትን ቀሪቦም ልዝብ ከምዝተኻየደሎ’ውን ገሊጾም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%88%85%E1%8A%93%E1%8C%BD-%E1%8B%B2%E1%88%9E%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%88%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8A%90%E1%8B%90-%E1%8C%89%E1%89%A3%E1%8A%A4\/4892698.html"} {"headline":"ቻይና፡ ኢትዮጵያ ንዘለዋ ዕዳ ከምተቕልል ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ኣፍሊጦም","content":"ኣብ ቻይና ዑደት የካይዱ ዘለው ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ርክባት ክልቲአን ሃገራት ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ቻይና ዚ ቺንፒንግ ምዝርራቦም ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊፆም።ቻይና ኢትዮጵያ ንዘለዋ ዕዳ ከምተቕልል’ውን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ኣቶ ተሾመ ቶጋ ገሊፆም። ክልቲኦም መራሕቲ ኣብዝተራኸብሉ እዋን ኣብ ምትሕግጋዝ ስራሓት ትሕተ ቕርጺ፣ንግዲ፣ቱሪዝምን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝብን ምዝታዮም ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ሓላፊ ፕረስ ሰክሬታሪ ኣቶ ንጉስ ጥላሁን ገሊፆም። ኣብ መንጎ ቻይናን ኢትዮጵያን ዘሎ ምትሕብባር ልምዓት ዝገለፁ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን CRCC ዝተባህለ ኩባኒያ መስመር መንገዲ ጅቡቲ- ኣዲስ ኣበባ ብልቓሕ ምስርሑ ኣዘኻኺሮም።ነቲ ዕዳ መኽፈሊ ግዜ ድማ ተናዊሑ’ሎ ኢሎም። No media source currently available “ምኽፋል ዕዳ ክጅምር ዝነበሮ ኣብዚ ዓመት እዚ እዩ።ሎሚ ብዘሎ ቁጠባዊ ዝሕታለ ግን መንግስቲ ቻይና ዕዳ ናይ መኽፈሊ ግዜ ንምናውሕ ተሰማሚዑ’ሎ።በዚ መሰረት ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ክኽፈል ዝነበሮ ልቓሕ ናብ 30 ዓመት ክናዋሕ ኣብ ስምምዕ ተብፂሑ’ሎ።” እዚ ስምምዕ እዚ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምሕያልን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ምዝሕታል ቁጠባ ንምንቕቓሕ ኣበርኽቶ ከምዝህልዎን ገሊፆም። ኩባንያታት ቻይና ናይ ኣዲስ ኣበባ ናይ ሸገር ልምዓት ፕሮጀክት ንምስታፍ ድልየተን ምግላፀን ወሲኾም ሓቢሮም። “ሰብ ሃብቲ ቻይና ኣብዝተፈላለዩ ዓውድታት ከምዝዋፈሩን ናይታ ሃገር መንግስቲ እውን ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ለውጢ ንምሕያልንን ንምድጋፍን ሰብ ሃብቲ ይኹን ትካላት ናብ ኢትዮጵያ መፂኦም ወፍሪ ከካይዱ ናይ ባዕሉ ተራ ከምዝፃወት ሰፊሕ ልዝብ ተኻይዱ ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ’ሎ።” ቀፃሊ ወለዶ ኸፋሊ ዕዳ ከይኸውን፡ ሓገዝ ይኹን ልቓሕ ብጥንቃቐ ንክትሓዝ ኣብቲ ዝርርብ ከምዝተልዓለን ብሃገር ደረጃ እውን ቀዳምነት ከምዘድልዮን ኣቶ ንጉሱ ወሲኾም ገሊፆም። ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣብ ቻይና ተኣሲሮም ዝርከቡ ዜጋታትን ጉዳዮም ኣብ ምፅራይ ዘለውን ዜጋታት ኢትዮጵያን ብፍላይ ድማ ኣደንዛዚ ዕፅ ብምዝውዋር ተጠርጢራ ኣብ ማእሰርቲ እትርከብ ኢንጅነር ናዝራዊት ኣበራ ብዝምልከት ኣብ ጎናዊ ርክብ ከምዝተዓለን ጉዳዮም ብናይ ቻይና ሕጊ ብኣግባቡ ክርኣይን መዕለቢ ከምዝረክብን ሓቢሮም። ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ኣቶ ተሾመ ቶጋ ብወገኖም ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ናይ ቻይና ፕረዚዳንት ዚ ቺንፒንግ ኣብዝተዘራረብሉ እዋን ኣብ ጉዳያት ልቓሕ፣ልምዓትን ተራድኦን ከምዝተዘተየሉ ሓቢሮም። “ቀዳማይ ነገር እቲ ዕዳ ዳግመ ምትዕርራይ ተጌርሉ’ሎ።ስርዓቱ ቀይሮምዎ ኣለው።ቅድሚ ሎሚ ናይ ኮመርሻል ልቓሕ ዝነበረ ናብ ኮንሰሽናል ልቓሕ ተቐይሩ’ሎ።ናይ እፎይታ ግዜን ዝተናውሐ ናይ መኽፈሊ ግዜን ክህልዎ እዩ።” ልዕሊ 300 ሚሊዮን ናይ ቻይና ገንዘብ ብምትሕብባር ካልእ 100 ሚሊዮን ናይ ቻይና ገንዘብ ድማ ብረድኤት ከምዘበርከተት ኣምባሳደር ተሾመ ገሊፆም። ብዝተኣሳሰረ ዜና ፅባሕ ኣብ ዝጅምርን መራሕትን ተወከልትን ልዕሊ 100 ሃገራት ኣብ ዝርከብሉ ጉባኤ መድረኽ መቐነትን ጎደናን ቻይና\/Belt and Road Initiative Forum\/ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ መደረ ከምዘስምዑ ተፈሊጡ’ሎ። ብዋናነት ማእኸሉ ኣብ ህንፀት መሰረት ልምዓትን ዓውዲታት ንግዲ ወፃኢን ዝገበረ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ቻይናን ረብሕኡ ብምጥቓስ ዝንእድዎ ኣለው፤ብዘይተመጣጠነ ናይ ወፃኢ ንግዲን ዓብይ መጠን ዘለዎ ልቓሕን ዝተዓጀበ ምዃኑ ድማ ዝነቕፉዎ ኣለው። ኣብ ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ማእኸል መፅናዕቲ ቻይና-ኣፍሪቃ ኢትዮጵያ ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 13 ቢሊዮን ዶላር ምልቃሓን ካብ ኣንጎላ ቀፂላ ኣብ ኣፍሪካ እታ ዝዓበየት ተለቃሒት ምዃናን ይሕብር። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%BB%E1%8B%AD%E1%8A%93-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8B-%E1%8B%95%E1%8B%B3-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%89%B0%E1%89%95%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B3%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%BB%E1%8B%AD%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%89%B0%E1%88%BE%E1%88%98-%E1%89%B6%E1%8C%8B-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8D%86%E1%88%9D\/4889775.html"} {"headline":"ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ ናይ ሓደ መዓልቲ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣብ ኣስመራ አካይዱ","content":"ፕረዚደንት ፌደራላዊት ዲሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ሎሚ 24 ሚያዝያ 2019 ናይ ሓደ መዓልቲ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣብ ኣስመራ ዛዚሙ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ። ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዲላሂ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝበጽሓሉ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ሚንስትር ጉዳያት ወጻእ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ተቀቢሎሞ። ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ኣብ ቤተ-መንግስቲ ኣብ ዝገበርዎ ሓጺር ርክብ፡ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ዝምድናታትን ሓባራዊ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ዘትዮም። ሚንስትር ትምህርቲ ሶማልን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ናይ’ታ ሃገርን ምስ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ሓቢሮም መጺኦም ነይሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%88%93%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8B%93%E1%89%A5%E1%8B%B1%E1%88%8B%E1%88%82-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%8B%88%E1%8C%8D%E1%8B%93%E1%8B%8A-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/4889350.html"} {"headline":"መራኸቢ-ጽርግያታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ሕጋዊ ኣገባብ ተኸቲሉ ዳግም ክኽፈት`ዩ’ ምንጭታት ኤርትራ","content":"መራኸቢ-ጽርግያታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ሕጋዊ ኣገባብ ተኸቲሉ ዳግም ክኽፈት`ዩ ክብሉ ምስ`ቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ኤርትራ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም። እዚ ዝስማዕ ዘሎ፡ ከይተዓጽወት ተሪፋ ዝነበረት መስመር ቡሬ-ደባይሲማ ትማሊ ሰኑይ ድሕሪ ምዕጻዋ`ዩ። ሓደ በዓል-ስልጣን ክልል ትግራይ ድማ፡ ስለምንታይ ተዓጽዩ ኢልና ንፈደራል መንግስቲ ሓቲትና ኣለና ኢሉ። ብኻልእ ወገን፡ ዶብ ኦምሓጀር-ሑመራ ቅድሚ ምዕጻዉ ፡ በቲ መስመር ናብ ኤርትራ እኽልን ፊኖን ከይኣቱ ይኽልከል ኔሩ ዝብል ካብ ወገን ኤርትራ ዝመጸ ሓበረታ ሰበ-ስልጣን ክልል ትግራይ ኣሉታ ሂቦምሉ ኣለዉ። ብዛዕባ ጉዳይ ምዕጻው ዶባት ዝምልከት ካብ መንግስቲ ኤርትራ ሓበሬታ ንምርካብ ወኪልና ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰለጠን።እንተኾነ ግን ካብ ገለ ምስ`ቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ግን ስሞም ክጥቀሱ ዘይደለዩ ሰባት ዝሓበርዎ ተመርኩሱ እዚ ዝስዕብ ይብል፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ናይ ሰላም ስምምዕ፣ብሰናይ ድሌት ናይ ክልቲኤን ሃገራት ብዘይ ዝኾነ ወግዓዊ ስምምዕ፣ እቶም ዶባት ብግዚያዊነት ተኸፈቶም ናይ ህዝቢ ንህዝብን ናይ ንግድን ምልውዋጥን ምንቅስቓሳትን ክካየድ ከምዝጸንሐ ፣እንተኾነ ግን ነቲ ናይ ንግዲ ምልውዋጥ ሕጋውን ወግዓውን ብዝኾነ መንገዲ ንምስራሕ ፣ብክልቲኦም ወገናት ዝተጀመረ ናይ ንግድን ጉምሩኽን ምስኡ ዝተሓሓዙ ጉዳያትን ፣ ስምምዓት ክሳብ ዝግበር እቶም ዶባት ብግዚያዊነት ከምዝተዓጸዉ ይሕብር። ኣስዒቡ ከምዝፍለጥ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዝተረኽብሉ፣ ዶብ ኦምሓጀር-ሑመራ ኣብ ዝተኸፍተሉ እዋን ፣ናይ ንግድን ጉምሩኽን ጉዳይ ምስ ተወድአ እቶም ተዓጽዮም ዘለዉ ዶባት ከምዝኽፈቱ ምሕባሩ ይዝከር። ስለዚ እቶም ዶባት ክሳብ ስምምዓት ዝግበሩ፣ተዓጽዮም ከምዝጸንሑ'ዩ እቲ ዘይወግዓዊ ሓበሬታ ዘመልክት ይብል ወኪልና ብርሃነ በርሀ ካብ ኣስመራ። ካብ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ`ውን ኣይተዓወተን፡ ነገር ግን፡ ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ሕወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ እቲ ጉዳይ ንፈደራል መንግስቲ ዝምልከት `ዩ ሓቲትና ኣለና ይብል፡ “ ንሕና ከም ሰብና እቲ ዶብ ተዓጽዩ ክብሃል ንሰምዕ ኣለና። እቲ ጉዳይ ናይ ፈደራል መንግስቲ ጉዳይ`ዩ። ስለምንታይ ተዓጽዩ ኢልና ንፈደራል መንግስቲ ንሓትት`ምበር፡ ስለምንታይ ተዓጽዩ ኢልና ንመንግስቲ ኤርትራ ንብሎ የለን።” ኣብ ዞባ ደቡብ ኤርትራ፡ ሓላፊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኣቶ ግርማይ ገብሩ ኣብ ናይ ወልቁ ፈይስቡክ ኣብ ዝጠቀዖ ሓበሬታ፡ መስመር ኦምሓጀር-ሑመራ ቅድሚ ምዕጻዉ፡ ካብ ወገን ትግራይ ዘለዉ ሓለፍቲ እኽልን ፊኖን ናብ ኤርትራ ከይኣቱ ክኽልክሉ ጸኒሖም`ዩም ዝብል ጽሒፉ ኔሩ። ነዚ ካብ ክልል ትግራይ ምላሽ ንምርካብ ብወኪልና ጌርና ኣብ ዝሓተትናሉ እዋን ድማ፡ ኣማኻሪ ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣይተ ጀጃው ደሞዝ ብስልኪ ሓቲተዮም \"ጌጋ ሓበሬታ\" እዩ :: ኩሎም ሸቐጣት ብዘይካ ብድጎማ መንግስቲ ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣትዉ (ነዳድን ዘይትን) ዝኾነ ሸቐጥ ኣይከልከልናን ኢሎምኒ ዝብል መልሲ ልኢኹልና`ሎ። መጀመርያ ዝተዓጽወ መስመር ዛላምበሳ-ሰርሓ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2018 ኣብ ዝተዓጸወሉ እዋን፡ ምክትል ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶ\/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ እቲ መስመር ዝተዓጽወ እቲ ርክብ ሕጋዊ መስመር ንምትሓዝ`ዩ ዝብል መልሲ ካብ ወገን ኤርትራ ተዋሂቡና`ዩ ኢሉ ኔሩ`ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%AB%E1%8A%B8%E1%89%A2-%E1%8C%BD%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%8B%AB%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%95%E1%8C%8B%E1%8B%8A-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%89%A3%E1%89%A5-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%89%B2%E1%88%89-%E1%8B%B3%E1%8C%8D%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%8A%BD%E1%8D%88%E1%89%B5-%E1%8B%A9-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%8C%AD%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB\/4888394.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ኣባላት ትካላት መንግስቲ ናብ ብሕቲ ንምስግጋር መስርሕ ዝርእይ ዘይሻራዊ ትካል ዘትዮም","content":"ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ንእዋናዊ ኩነታት’ታ ሃገር ብዝምልከት ዘለዎ ገምጋም ካብቲ ሓደ ሓደ ኢትዮጵያዊያ ፖለቲከኛታትን ተንተንቲን ዝብልዎ ዝተፈልየ’ዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ተዛሪቦም። ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ሓደሓደ ፖለቲከኛታትን ኢትዮጵያ ከምዝሓስብዎ ኣይኮነን ክብሉ’ውን ወሲኾም ሓቢሮም። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ነዚ ዝበሉ ምስ ዘይሻራዊ ቤት ምኽሪ አማኻሪ ብሕታዊነት(ፕራይቨታይዘሸን) ኣብ ዝተዘራረብሉ እዋን’ዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ኣብ ቻይና ምብጻሕ ከምዝገብሩ’ውን ተገሊጹ’ሎ። ዓለምለኸ ኣረኣእያ ንኢትዮጵያ ዝሓለፈ ዓመት ቅድሚ’ቲ ለውጢ ዝነበረ ኩነታት ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ዝተአሰሩላ ሓያለ ዝተቀትልዋ ብ ማ ኢት ኣሽሓት ዝተሰደዱላ ሃገር ምስዛ ናይ ሎሚ የወዳድርዎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%89%A5%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8C%8D%E1%8C%8B%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%BB%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%88%9D\/4888122.html"} {"headline":"ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ሱዳንን ሊብያን ንምዝታይ ህጹጽ ኣኼባ ኣብ ግብጺ አካይዱ","content":"ግብጺ ኣብ ሱዳንን ሊብያን ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ብዝምልከት ህጹጽ ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ አካይዳ። እዚ ኣኼባ ዝተኻየደ መራሕቲ ተቓውሞ ሰልፊ ሱዳን ነታ ወታሃደራዊ መራሕቲ’ታ ሃገር ካብ ጎደናታት ክእለዩ ዘቕረብዎ ሕቶ ብምንጻግ ኣብ ካርቱም ተወሳኺ ናይ ተቓውሞ ሰልፊታት ንምክያድ ጻውዒት ኣብ ዘቕርብሉ ጊዜ’ዩ። ኣብ ግብጺ ዝተኣኸቡ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ከተኣታትው ተወሳኺ ጊዜ ክወሃቦ ከምዝወሰኑ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ሎሚ ሶሉስ ኣፍሊጦም። ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ሲቪላዊ ምምሕዳር እንተዘይመስሪቱ ካብቲ ሕብረት ከምዝእገድ ዝገልጽ ውሳነ ምሕላፉ ይዝከር’ዩ። No media source currently available ኣብ ምዝዛም’ቲ ዋዕላ መደረ ዘስምዑ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ እቲ ዋዕላ ነቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት መፍትሒ ከናድይን ኩሉ ሓቆፍ ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር ኣብ ምምስራት ግቡኡ ከበርክት ምስምምዑ ገሊጾም። ንሶም ብተወሳኺ ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፋ ሃገራት ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዲሞክራሲያዊ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምምስራት ዘድልዮ ስጉምቲ ንምውሳድ ተወሳኺ ጊዜ ክወሃቦ ከምዝተሰማምዑ ሓቢሮም ኣለው። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ተቓወምቲ ሱዳን ወታሃደራዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ’ታ ሃገር መዝነቱ ብቕልጡፍ ንሲቪላዊ ምምሕዳር ከረኽብ ጸቕጢ ይገብሩ ኣለው፡ እቲ ቤት ምኽሪ ብወገኑ ዋላ’ዃ እቲ መሰጋገሪ ምምሕዳር ክሳብ ክልተ ዓመት ክጸንሕ እንተደለዩ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምምስራት ድልየት ከምዘለዎም ይገልጹ ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%88%8A%E1%89%A5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B3%E1%8B%AD-%E1%88%85%E1%8C%B9%E1%8C%BD-%E1%8A%A3%E1%8A%BC%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%8C%BA-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/4887789.html"} {"headline":"መድረኽ ዘተ ህዝብታት ኣምሓራን ኦሮምን ኣብ ከተማ ኣምቦ ተቓኒዑ","content":"ምሕያል ርክብ ህዝብታት ኣምሓራን ኦሮሚያን ንኢትዮጵያ ናብ ልዑል ብራኸ ዘደይባ እዩ ክብሉ ምኽትል ኣማሓዳሪ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣፍሊጦም።ዋና ኣማሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ዶ\/ር ኣምባቸው መኮነን ድማ ክልል ኦሮሚያ ካብ ኣዲስ ኣበባ እትረኽቦ ረብሓ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም። ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ኣምቦ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ህዝቢ ምስ ህዝቢ መደረ ዘስምዑ ምኽትል ኣማሓዳሪ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ ንዓወታት ዓድዋ፣ካራማን ካልኦትን ብምዝኻር መሰረት ሓድነት ህዝቢ ኢትዮጵያ ኩሎም ብሄርን ብሄረሰባትን ዘሳተፈ እዩ ኢሎም። ህዝብታት ኦሮሞን ኣምሓራን ኣብ ዝሓለፉ ግዜያት ዝነበረ ዓፈና ቄሮን ፋኖን ተቓሊሶም ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ዘካየዱዎ ቓልስን እንቦጭ ተባሂሉ ንዝፅዋዕ ፃህያይ ንምክልኻል ዝተኻየደ ርብርብን ንኢትዮጵያዊያን ነፃነት ኣምፂኡ’ሎ ኢሎም። ብምቅጻል ብዛዕባ ርክብ ክልቲኦም ህዝብታት ድማ ከምዚ ኢሎም። “ርክብ ህዝቢ ኣምሓራን ኦሮምን ንኢትዮጵያ ዘሕይል እዩ፤ምሕያል ርክብ ህዝቢ ኦሮሞን ኣምሓራን ንኢትዮጵያ ክብ ዘብል እዩ።ንካልኦት ብሄርን ብሄረሰባትን ፅላል ክኾኖም እዩ።ስለዝኾነ ንሓድነት ዘሐይል እምበር ንድሕሪ ዝምለስ ኣይኮነን።ልክዕ ከም ናይ ቅድሚ ሎሚ ሓድነትና ኣፅኒዕና ዝበልፀገት፣ዴሞክራሲያዊትን ፍትሒ ዝተረጋገፀላ ሃገራዊ ክብራ ክብ ዝበለ ሓድነታ ነቕ ዘይትብል ኢትዮጵያ ንምፍጣር ብሓባር ክንሰርሕ ኢና።” ንሓድነት ምስራሕ ጅግንነታዊ ተግባር እዩ፤ፅልእን ብቂም ሕነ ምፍዳይን ናይ ሰነፋትን ፈራሓትን መግለፂ እዮም ምስ በሉ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንኹሉ ኢትዮጵያዊ ዝጠቅም፣መራሕቲ ሃለው ኣይሃለው ኢትዮጵያ ክትቕፅል እያ ኢሎም። “ኣብ ባህርዳር ዝተዘርአ ቦቒሉን ዓምቢቡን ኢፍትሓዊነት፣ፀረ ዴሞክራሲያዊነት ነቒሉ ደርቢዩ እዩ።ንዝበለፀ ምቅርራብ፣ሓድነትን ልምዓትን ብልፅግናን ሰላምናን እንረጋግፀሉ ዘክእለና ዘርኢ እንዘርአሉ ከምዝኸውን ንኢትዮጵያ ካብዚ ዝለዓለ ናይ ሓድነት ብራኸ ደው ከም እንብላ ከረጋግፀልኩም እደልይ።” ካብ ክልል ኦሮሚያ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ዝነበርሉ ክምንመልሶም ኢና ዝበሉ ኣቶ ሽመልስ እቶም ነዚ ተግባር ዝፈጸሙ ድማ ተስዓርቲ እዮም እዮም ኢሎም። ዋና ኣማሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ዶ\/ር ኣምባቸው መኮነን ቅድሚ ሎሚ ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ብዝነበረ ኣፈላላይ ዓቕሚ ናይ ክልቲኦም ህዝብታት ክዳኸም ዝተፈላለዩ ፀገማት ክቃልዑ ገይርና ኢና ኢሎም።ነቲ ፍልልይ ዝሰብኽ ዝነበረ ሓይሊ ክስበር ሕብረት ፈጢርና ኣብ ዝሓፀረ እዋን ሓባራዊ ዓወት ክንጭብጥ ክኢልና ኢሎም። ሕብረት ህዝብታት ኦሮሞን ኣምሓራን ፅንዕቲ ኢትዮጵያ ክትህልው መማረፂ ዘይብሉ መፍትሒ እዩ ኢሎም።ኣብ መንጉኦም ዘይምርድዳእ ከምዘየለ ብምሕባር ተሓባቢርካ ናይ ምስራሕ ኣገዳስነት ኣረዲኦም። “ርክብ ህዝቢ ኣምሓራን ኦሮሞን ንፀገማት ህዝብታት ኣምሓራን ኦሮሞን ጥራሕ ዘይኮነስ ንፀገማት ኢትዮጵያ እውን ዓብይ መፍትሒ ምዃኑ ብፅኑዕ ንኣምነሉ እዩ።ስለዝኾነ ዝተጀመረ ሓይሊ ክቕፅል ክንገብር ኢና።ናይ ኦሮሞ ዴሞክራሲያዊ ፓርትን ናይ ኣምሓራ ዴሞክራሲያዊ ፓርትን ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝነበሮም ፅቡቕ ርክብ ብዝለዓለ ደረጃ ብምሕዳስ ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያን ካልኦት ናይ ፖለቲካ ውድባትን ብምትእኽኻብ ፅንዕቲ ኢትዮጵያ ናይ ምፍጣር ዕላማና ከም እንሰርሕ ብድጋሚ ቃል ክኣተወልኩም እደልይ። “ ኦሮሚያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ዘለዋ ረብሓን ንቋንቋ ኣፋን ኦሮሞ ብዝምልከት ካብ ተሳታፊ ዝቐረበሎም ሕቶ ክምልሱ ከለው ዶ\/ር ኣምባቸው ከምዚ ኢሎም። “ንኣዲስ ኣበባ ብዝምልከት ሕገ መንግስቲ ዘቐመጦ ዝሸራርፍ መርገፂ ኣብ ውሽጥና ዋላ ሓደ የለን።ኣዲስ ኣበባ ናይ ኢትዮጵያ ብሄር ብሄረሰባት ህዝብታት መንበሪት ጥራሕ ዘይኮነት ዓባይ ናይ ኣፍሪቃ መዲና እያ።ናይ ክልል ኦሮሚያ ፍሉይ ሕገ መንግስታዊ መሰል ኣለዎ።እዚ ፍሉይ ሕገ መንግስታዊ መሰል ንክኽበረሉ ድማ ክንቃለስ ኢና።” ንሶም ብምውሳኽ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ይብተኑ ዘለው ኣሉታዊ መልእኽልታት ናትና ከምዘይኮኑ መርገፂ ሒዝኩም ክትከራኸሩ ኣለኩም ኢሎም ። መምህር ፍልስፍና ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ዶ\/ር ዳኛቸው ኣሰፋ ብዛዕባ ርክባት ክልቲኦም ህዝብታት ክዛረቡ ከለው ውልቀ ምልካዊ ስርዓታት ሃፀይ ሃይለስላሴን ደርግን ዝፈርሰሉ ዓንድታት ብምዝርዛር ናይ ወይን ዓንዲ ዘፍረሶ ርክብ ኦሮኣማራ እዩ ኢሎም። ካብ ደሴ ዝመፁ ኣቶ መንግስቱ ኣሕመድ ዝተብሃሉ ተሳተፊ ክልቲኦም ህዝብታት ናይ ደም ምትእስሳርን ነዊሕ ታሪኽ ዝሓለፉን እዮም ኢሎም። ኣብቲ ሓባራዊ መድረኽ ታሪኻዊ ርክብን ምትእስሳርን ህዝብታት ኦሮሞን ኣምሓራን ዝጠመሩ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%8A%BD-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8A%92%E1%8B%91\/4886401.html"} {"headline":"ንኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ዘራኽቡ መስመራት ከይተዓጸወ ዝጸንሓ መስመር ቡሬ ዓሰብ ምዕጻው ተገሊጹ","content":"ካብቶም ንኢትዮጵያን ኤርትራን ዘራኽቡ ከይተዓፀወ ተሪፉ ዝነበረ መስመር ቡሬ- ዓሰብ ሎሚ መዓልቲ ከምተዓጸወ ተገሊጹ። እቲ መንገዲ ንተሽከርከርቲ ዝተኸልከለ ኮይኑ ብእግሪ ግና ዶብ ምስጋር ይከኣል እዩ። እቲ መስመር ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ከምተዓፀወ ምምሕዳር ወረዳ ኤል ዳዓር ክልል ዓፋር ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፁ። ኣማሓዳሪ ወረዳ ኤሊ ዳዓር ክልል ዓፋር ኣይተ ዓብደላ ሱሌ ዶብ ቡሬ- ዓሰብ ሎሚ ንጉሆ ከምዝተዓፅወ ሓቢሮም ኣለው። ንሶም ካብ መጀመርያ ወርሒ መስከረም እዚ ዓመት ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ከይተዓፀወ ዝፀንሐ ዶብ ቡሬ-ዓሰብ ሎሚ ካብ ንጉሆ ሰዓት 12፡00 ጀሚሩ ብመንግስቲ ኤርትራ ከምዝተዓፀወ ሓቢሮም። ኣመራርሓ እቲ ከባቢ እቲ መስመር ንምንታይ ተዓፅዩ ዝብል ኣብ ሓለዋ ንዝርከቡ ኣካላት ፀጥታ ኤርትራ ከምዝሓተትዎም ዝተዛረቡ ኣይተ ዓብደላ \" ነቲ መስመር ክዕፅዉ ካብ ላዕለዎት ሓላፍቲ ከምዝተነገሮም\" እዮም ምላሽ ተዋሂቡ ክብሉ ገሊፆም። ንሶም ብተወሳኺ መካይን ብኽልትኡ ወገን ደው ኢለን ኣለዋ ገሊአን ድማ ተመሊሰን እየን ክብሉ ተዛሪቦም። እቲ መስመር ካብ ዝኽፈት ጀሚሩ ውሱን ንግዳዊ ልውውጥን ሓያል ርክብ ህዝቢ ንህዝብን ምንባሩ ኣይተ ዓብደላ ሓቢሮም። ብእግሮም ዝንቀሳቐሱ ሰባት ግና ክኣትዉን ክወፅኡን ተፈቒዱ እዩ ኢሎም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኩሎም ተኸፊቶም ዝነበሩ መስመራት ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተዓፅዮም ኣለው። ፈለማ ዝተዓፀወ መስመር ዛላንበሳ ሰርሓ፡ ቀፂሉ ድማ መስመር ራማ ዓዲ ዃላ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ድማ መስመር ዶብ ሑመራ-ኦምሓጀር ምዕጻው ይፍለጥ። ምክትል ርእሰ ምምሓዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ፈላማ መስመር ዛላንበሳ ሰርሓ ኣብ ዝተዓጸወሉ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ \"እቲ መስመር ዝተዓፀወ እቲ ርክብ ሕጋዊ መስመር ንምትሓዝ እዪ ዝብል መልሲ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ተዋሂቡና\" ኢሎም ነይሮም። ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ምላሽ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ኤርትራን ንምርካብ ፈተነ ነካይድ ኣለና። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%8A%BD%E1%89%A1-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8C%B8%E1%8B%88-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%93-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AD-%E1%89%A1%E1%88%AC-%E1%8B%93%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%8C%BB%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4886224.html"} {"headline":"ካብ ጉጂ ዝተመዛበሉ ተወለድቲ ብሄረሰብ ጌዴኦ ንዝተፈላለዩ ሕማማትን ሕፅረት መግብን ከምዝተቓልዑ ተዛሪቦም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ምብራቓውን ምዕራባዊ ዞባታት ጉጂ ዝተመዛበሉ ተወለድቲ ብሄረሰብ ጌዴኦ ንዝተፈላለዩ ሕማማትን ሕፅረት መግብን ከምዝተቓልዑ ተዛሪቦም።ኣብ ወረዳ ገደብ ካብ ዝርከቡ መዕቖቢ ማእከላት ኣብ ሓዲኡ ዝተዓቖባን ሽመን ክገለፀለን ዘይደለያን ኣደ ዝውሃበን ዕለታዊ መግቢ እኹል ከምዘይኮነ ብምሕባር ካብ ጥምየት ብዝገደደ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ምቅልዐን ተዛሪበን። “ዋላ ሓደ ነገር ኣይረኸብናን፤ህፃናት እውን ኣብ ነፍሲ ውፅኢ፣እስትንፋስ እተዊ እዮም ዝርከቡ።ብስእነት መግቢ እታ ወላዲት ካበይ ኣምፂኣ ክተጥቡዮም? ዝብላዕ፣ዝስተ የለን።ዋላ ሓደ ነገር ኣይንረክብ።ሰባት ይሞቱ ኣለው” ኢለን።ተመዛበልቲ ኣብ ዘዕቖቡሎም ማእኸላት ለበዳ ውፃእትን ሕማም ኣንቅፅን ከምዝተርኣየ፣ዝሞቱ ሰባት ድማ ምህላዎምን ለበዳ ምእታው ንዝኾነ ኣካል ከይትዛረቡ ከምዝተብሃሉን ሰብ ሞያ ጥዕና ካብቲ ከባቢ ገሊፆም ኣለው። ሓደ በዓል ስልጣን ቤት ጽሕፈት ጥዕና ናይቲ ክልል ግን ለበዳ ሕማም ይኹን ዝሞተ ሰብ የለን፤ናብ ሆስፒታል ኣትዮም ዝተባህሉ ተመርሚሮም ነፃ ኮይኖም ኣለው ኢሎም። ሓካይም ብዘይ ዶብ ዝተባህለ ዓለምለኸ ትካል ትማሊ ኣብዘውፅኦ ፀብፃብ ዝለዓለ ሕፅረት መግቢ ከምዘሎ ብምሕባር ተመዛበልቲ ንዝለዓለ ለበዳ ሕማማት ክጥቅዑ ይኽእሉ እዮም ኢሉ።ዝተመዛበሉ ዜጋታት ንዝኸፍአ ፀገም ቅድሚ ምቅልዖል ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ክረባረቡ’ውን ፀዊዑ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%8B%9E%E1%89%A3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8C%89%E1%8C%82-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8B%B5%E1%89%B2-%E1%89%A5%E1%88%84%E1%88%A8%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%8C%8C%E1%8B%B4%E1%8A%A6-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%88%95%E1%88%9B%E1%88%9B%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%95%E1%8D%85%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%93%E1%88%8D%E1%8B%91-%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/4883612.html"} {"headline":"ባህሪያት ምልካዊ መራሕቲ ጋዜጠኛታት ክፅልኡ ይገብር ኣሎ ተባሂሉ","content":"ብመሰረት ሎማዕንቲ ሓሙስ ዝወፀ ፀብፃብ ብሰንኪ ባህሪያት ምልካዊ መራሕቲ ኣብ ዙሪያ ዓለም ንጋዜጠኛታት ኣትሕቲካ ምርኣይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከምዝወሰኸ ገሊፁ። ዶብ ኣልቦ ሪፖርተራት ናይ 2019 ነፃነት ፕረስ ዓለም ኣብ ዘካየዶ መፅናዕቲ ‘’ውልቀ መለኽቲ ስርዓታት ንሚዲያ ብፅኑዕ ምቁፅፃሮም ብምቕፃል ጋዜጠኛታት ክፅልኡን ህውከትን ፍርሕን ክውስኽን ክኢሉ’ሎ ይብል። ኣብዚ ዓመታዊ መዐቀኒ ደረጃ ነፃነት ፕረስ ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሪፖርተራት ብቐፃልነት ብዝፍንውዎ መጠንቀቕታን ኣብ ልዕሊ ሚዲያ ዘቕንዐ ተዃሳሓይ ሪኢቶታዮምን ደረጃ ዩናይትድ ስቴትስ ንሳልሳይ ዓመት ወሪዱ’ሎ። ዩናይትድ ስቴትስ መፅናዕቲ ካብዝተኻየደለን 180 ሃገራት ኣብ መበል 48 ተሰሪዓ’ላ። ሃገራት ኣውሮፓ ናይ ቅድሚት ደረጃ ምሓዘን ቀፂለን ኣለዋ።ኖርዌይ ንተኸታታሊ ሳልሳይ ግዜ ቀዳመይቲ፣ፊንላንድ፣ስዊደን፣ዘ ኔዘርላንድስን ዴንማርክን ካብ ካልኣይ ክሳብ ሓምሻይ ተሰሪዐን ኣለዋ።ዩናይትድ ኪንግደም መበለ 33 ደረጃ። መብዛሕቲአን ዝተሓተ ደረጃ ዝሓዛ ሃገራት ኢስያ እየን።ተርክመኒስታን ካብ 180 መበል 180፤ሰሜን ኮሪያ መበል 179፣ኤርትራ መበል 178፣ቻይና 177 ቬትናም ድማ መበል 176 ብምዃን ዝተሓተደ ደረጃ ሒዘን ኣለዋ።ኢትዮጵያ ኣብ መበል 110 ተሰሪዓ’ላ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/authoritarian-leaders-fueled-hatred-toward-journalits-worldwide\/4882029.html"} {"headline":"ለማ መገርሳ ሚንስተር ምክልኻል፡ ገዱ እንዳርጋቸው ሚስንተር ወጻኢ ኮይኖም ተሸይሞም","content":"ቀ\/ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንፕረሲደንት ክልል ኣምሓራ ዝነበረ ኣቶ ገዱ እንዳርጋቸው፡ ሚንስተር ወጻኢ ጌሩ ክሸሞ ከሎ፡ ንፕረሲደንት ኦሮሚያ ዝነበረ ለማ መገርሳ ድማ ምንስተር ምክልኻል ጌሩ ሸይምዎም። ሚንስተር ምክልኻል ዝነበረት ዓይሻ መሓመድ ድማ፡ ሚስንተር ህንጻን ልምዓትን ኮይና ተሸይማ`ላ። ዲረክተር `ተበግሶ-ጉዳይ ኣፍሪቃ` ዝተባህለ ማህበር ኣቶ ክቡር ገና፡ እቶም ቀንዲ ኣንቀሳቐስቲ ለውጢ፡ ናብ ፈደራል መንግስቲ ምምጽኦም፡ ንቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝያዳ ሓይሊ ከምዝኾንዎ ይገልጽ። ንሱ ኣተሓሒዙ፡ እዚ ድሕሪ`ቲ ኣብ`ዚ ሰሙን`ዚ ዝተኻየደ ጉባኤ ኢህወደግ ዝመጸ ስለዝኾነ፡ ምቅርራብ ክልታት ኣምሓራን ኦሮሞን ዘንጸባርቕ ክኸውን ከሎ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ክልል ትግራይ ካብ ክፍፍል ስልጣን ዝያዳ ዝረሓቐሉ ኩነታት ዘርኢ `ዩ ይብል፡- ምሉእ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክእል፡ No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/4881882.html"} {"headline":"ኣስታት 41 ናብ ስዑዲ-ዓረብ ዘምርሑ ዝነብሩ መንእሰያት ክልል ትግራይ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ምሟቶም ተገሊጹ","content":"ኣብ 9 ጣብያታት ወረዳ ኣፅቢ ወምበርታ ብድምር 41 መናእሰይ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ስደት ከምርሑ ምሟቶም ንወለዶም ከምዝተነገረ ምክትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ወረዳ ኣፅቢ ወምበርታ መምህር ገብረመድህን ገረዝግሄር ገሊፆም። እቲ ብ29 መጋቢት 2011 ዓ.ም ዘጋጠመ ሓደጋ ሞት መናእሰይ ወረዳ ኣፅቢ ወምበርታ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ናብ ስዑዲ ዓረብ ንምኻድ ልዕሊ ዓቀን ኣብ ጃልባ ተፃዒኖም ንምስጋር ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከምዝጋጠመ እቶም ምክትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ወሲኾም ገሊፆም። ካብ ግዳያት ዘይሕጋዊ ስደት ሓደ ወዲ 26 ዓመት መንእሰይ ግደይ ዝብሃል ይርከቦም። ወላዲ ግደይ ኣይተ መብራህቱ መዝገበ “ወደይ ብ19 መጋቢት 2011 ዓ.ም ካብ ኣፅቢ ተበጊሱ ናብ መቐለ ከምዝከደን ብኡ ኣቢሉ ንሸቅሊ ናብ ስዑድ ዓረብ ከምዝከይድ እየ ዝፈልጥ ሕዚ ግን ብቤተሰብ ኣቢሉ መርድእ ይንገረና ኣሎ። ኩነታቱ ቀስ ኢልና ከነፃሪ ኢና ሕዚ ግን ኣብ ሓዘን ኢና ዘለና” ኢሎም። ብዘይካ እዚ ወዲ 21 ዓመት መንእሰይ ንጉሰ ገብረሃንስ እውን ግዳይ ዘይሕጋዊ ስደት እዩ። ሓው ንጉሰ ካልኣዩ ገብረሃንስ ድማ ሓወይ ንስራሕ ኢሉ ንስዑድ ዓረብ ከምዝተበገሰ ይፈልጥ። ኩነታት ኣማውቱ ቀስ ኢልና ክንሓትት ኢና ድሕሪ ምባል ሞት ሓው ካብ ዝሰምዑ ካልኣይ መዓልቲ ምቑጻሮም እውን ይሕብር። ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-41-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%8B%91%E1%8B%B2-%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%89%A5-%E1%8B%98%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%91-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A5%E1%88%A9-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%8C%A5%E1%88%92%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9-\/4879662.html"} {"headline":"ኣብ ክ\/ከተማ ኹሓ ዝተኣሰሩ አባላት ዓረናን ካልኦት መንእሰያትን ሎሚ ናብ ቤት ፍርዲ ቐሪቦም","content":"ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ኲሓ ብሓይልታት ፀጥታ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ዝወዓሉ ኣባላት ዓረናን ካልኦት መናእሰይን ሎሚ ሶሉስ ናብ ቤት ፍርዲ ቐሪቦም። ኣብቲ ቤት ፍርዲ ስድራ ኾነ አባላት መራኸቢ ብዙሃን ምእታው ተኸልኪሉ እዩ። ኣብዚ ጉዳይ ምላሽ ዝምልከቶ መንግስታዊ ኣካል ንምርካብ ዝተገበረ ፃዕሪ’ውን ኣይሰመረን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%B9%E1%88%93-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%A3%E1%88%B0%E1%88%A9-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%8A%93%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A6%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AB%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%89%90%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/4878634.html"} {"headline":"ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ብከቢድ ገበናት ጠርጢረዮም ዝበሎም 50 ላዕለዎት ሓለፍቲ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም","content":"ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያት ፅሕፈት መንግስቲ ብከቢድ ገበናት ጠርጢረዮም ዝበሎም ልዕሊ 50 ላዕለዎት ሓለፍቲን ካልኦትን ሎሚ ሶኑይ ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪቡዎም። ካብ ኣገልግሎት ዕደጋ፣ዋና ዳይረክተር ምምሕዳርን ምውጋድን ንብረት መንግስቲ ኣቶ ይገዙ ዳባ ሓዊሱ 27 ተጠርጠርቲ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም። ካብ ኮርፖረሽን ስራሓት ህንፀትን ማያት ዋና ኣካያዲ ስራሕ ዝነበሩ ኣቶ ኣታኽልቲ ተካ ሓዊሱ 16 ተጠርጠርቲ ቐሪቦም። ካብ ኮርፖረት ንግዲ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣቶ መንግስቲ ከበደ ሓዊሱ ሸውዓተ ተጠርጠርቲ ቀሪቦም ኔሮም። ብኻልእ ወገን ተጠርጠርቲ ኣብ ኣተሓሕዝኦም በደል ተፈፂሙና ክብሉ ጠሪዖም።ኣብ ቁፅፅር ካብ ዝውዕሉ ምስ ቤተሰቦም ከምዘይተራኸቡን ፅርየቱ ኣብዘይሓለወ ቦታ ከምዝተኣሰሩን ብምግላፅ ክመሓየሸሎም ሓቲቶም።ቤት ፍርዲ ነቲ ኽርክር ሰሚዑ ዝቕጽል ቆፀራ ሂቡ’ሎ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8A%A8%E1%89%A2%E1%8B%B5-%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8C%A0%E1%88%AD%E1%8C%A2%E1%88%A8%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%8E%E1%88%9D-50-%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%88%88%E1%8D%8D%E1%89%B2-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%89%80%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/4876748.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ምስ አባላት ቤት ምኽሪ ወታሃደራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ተራኺቦም ተዘራሪቦም","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ብጀነራል ጋላለዲን ኣል ሼኽ ምስ ዝመራሕ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወታደራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ተዘራሪቦም። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሱዳን ዝህቦ ሓገዝ ኣሐይሉ ከምዝቕፅለሉ ኣረጋጊፆም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሱዳን ዝህቦ ሓገዝ ኣብ ምክብባር ዝተመስረተ ንልኡላውነት ሱዳን ዘኽብርን ካብ ጣልቃ ምእታው ነፃ ዝኾነን ከምዝኸውን ገሊፆም። ጀነራል ጋላለዲን ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ስትራተጂያዊ አጋርነት ጠቓሚ ምዃኑ ብምሕባር ኣብዚ ናይ መሰጋገሪ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ዝፀንሐ ሓባራዊ ምትሕብባር ሓይሉ ንክቕፅል ፀዊዖም ክብል ፋና ብሮድካስቲንግ ጸብጺቡ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%8C%8B%E1%8C%88%E1%88%AA-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/4876690.html"} {"headline":"ዓረና ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ወፍሪ ጽሬት ዝተዋፈሩ አባላተይ መጥቓዕቲ ተፈጺምዎም ክብል ከሲሱ","content":"ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለከተማ ኲሓ ኣብ ዝነበረ ወፍሪ ፅርየት ኣካላት ፀጥታ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኣባላተይን ካልኦት መናእሰይን ኣካላዊ መጥቃዕትን ፈጺሞም ብተወሳኺ ገለ ካብቶም መንእሰያትተኣሲሮም ክብል ዓረና ትግራይ ኸሲሱ። ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኣይተ ኣብርሃ ደስታ ከምዝገለፅዎ ነቶም ወገናት ዘለውዎ ኩነታት ንምርኣይ ኣበይ ከምዘለዉ ክንፈልጥ ኣይከኣልናን እውን ኢሎም። No media source currently available ኣዛዚ ፖሊስ እቲ ክፍለ ከተማ ምክትል ኢንስፔክተር ገብረክርስቶስ ገብረመስቀል እቶም ዝተኣሰሩ ሰባት ሰላም ከባቢ ክዘርጉ ዝተንቀሳቐሱን ኣባላት ፖሊሰ ዝወቑዑ ሰባት ኢና ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ኣእቲና ኢሎም። እቶም ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ዝውዓሉ ሰባት ድማ ኣብቲ ክፍለ ከተማ ከምዘለዉ እዮም ገሊፆም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%8D%8D%E1%88%AA-%E1%8C%BD%E1%88%AC%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%8B%E1%8D%88%E1%88%A9-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B0%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%9D%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%A8%E1%88%B2%E1%88%B1\/4876590.html"} {"headline":"ኢቫንካ ትራምፕ ምስ ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ተዘራሪባ","content":"ኣማኻሪት ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዝኾነት ኢቫንካ ትራምፕ ምስ ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ሎሚ ሶኒ ተራኺባ። ምስኣ ኣማሓዳሪ ትካል ሓገዝ ኣሜሪካ USAID ማርክ ግሪንን ናይ OPIC ተጠባባቒ ሓላፊን ኣካያዲ ስራሕን ዴቭ ቦሂያን ተረኺቦም ነይሮም። ኢትዮጵያ ናብ ተሃድሶን ዴሞክራሲያዊን፣ ሰፊሕ ዝመሰረቱ ምዕባለን ነባራይ ህድኣትን ኣብ ምንጋስ ንትገብሮ ጻዕሪ ኣሜሪካ ትልግሶ ሓያል ደገፍ ገሊጾም። ወ\/ሮ ትራምፕ ኣብ'ቲ እዋን እቶም ቀ\/ሚ ንበዝሒ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምምሕዳሮም ምውሳኾም ንኢዳ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ivanka-trump-abyi-ahmed-in-adis-ababa\/4876571.html"} {"headline":"ሱዳን፡ ተቓውሞ ዜጋታት ሎሚ’ውን ቐጺሉ’ሎ","content":"ሰልፈኛታት ሱዳን ሎሚ ሶኑይ ነቲ ኣብ ኣፍደገ ዋና ቤት ጽሕፈት ሚንስትሪ ምክልኻል ዘካይድዎ ኮፍ ናይ ምባል ተቓውሞ ንምብታን ዝፈተኑ ወታሃደራዊ ሓይሊ ምዕጋቶም ተገሊጹ። ወታሃደራት ብሰለስተ ወገናት እቲ ተቓውሞ ብምትእኽካብ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ኣእማንን ካልኦት ነገራትን ከልዕሉ ኣብ ዝፈተንሉ ሰልፈኛታት ኢድ ንኢድ ብምትሕሓዝ ምዕጋቶም ተሓቢሩ’ሎ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት “ናጽነት፡ናጽነት” “ሰውራ፡ሰውራ” ብምባል ጭርሖ ምስምዖም’ውን ተፈሊጡ’ሎ። No media source currently available ኣቐዲሙ ማሕበር ሰብሞያ ሱዳን ዋላ’ኻ ተቓውሞ ንምብታን ፈተነ እንተተኻየደ እቲ ኮፍ ናይ ምባል ተቓውሞ ምጽውዖም ይግለጽ ኣሎ። እቲ ኮፍ ናይ ምባል ኣድማ ነቲ ንዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ክካየድ ዝቐነየ ተቓውሞ ስዒቡ ካብ ሚያዝያ 6 ዝጀመረ ኮይኑ ንዋና ቤት ጽሕፈት ስለያን መንበሪ ፕረዚደንትን ዝሓወሰ’ዩ። ዝሓለፈ ሓሙስ ወታሃደራዊ ሓይልታት’ታ ሃገር ንፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ካብ መዝነቱ ምውራዱን ናይ መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ባይቶ ብምምስራት ንዝመጽእ ክልተ ዓመታት ነታ ሃገር ከምዝመርሕ እንተፈለጡ ዜጋታት ግን ሲቪላዊ ምምሕዳር ናብ መዝነት ክሳብ ዝመጽእ ተቓውሞኦም ከምዝቕጽሉ ይገልጹ ኣለው። መራሒ’ቲ መሰጋገሪ መንግስቲን ሚንስትር ምክልኻል ጀነራል ዓወድ ኢብነፍ ብቐዳም መዝነቶም ምልቃቆም ተፈሊጡ’ሎ። እቲ ወታሃደራዊ ባይቶ ሎሚ ሶኑይ ሓድሽ ሓላፊ ስታፍን ምክትልን ከምዝምዝዝ ኣፍሊጡ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%88%9E-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%89%90%E1%8C%BA%E1%88%89-%E1%88%8E\/4876386.html"} {"headline":"ማእከላይ ኮሚተ ህውሓት ኣብ ኢትዮጵያ ንዝረአ ዘይምርግጋእ ተሓታቲ ኢህወዲግ ' ዩ ኢሉ","content":"ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ንዝተፈጠረ ስእነት ሰላምን ዘይምርግጋዕን ተሓታቲ ኣመራርሓ ኢህወደግ እዩ ኢሉ። እቲ ማእከላዊ ኮሚቴ ኣብ ከተማ መቐለ ንኣርባዕተ መዓልታት ዘካየዶ ኣኼባ ጠሚቱ ሎሚ ኣማስዩ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣመራርሓ እቲ ግንባር ካብ እምነትን ፕሮግራምን እቲ ውድብ ወፃኢ ይኸይድ ኣሎ ኢሉ። እቲ ማእከላይ ኮሚቴ ብተወሳኺ ኢህወደግ ውሁድ ፓርቲ ክኸውን እዩ ብዛዕባ ዝባሃል ኣባላት እቲ ግንባር ዝኾኑ ውድባት ብዝተፈላለየ ኣንፈት ይኸዱ ኣብ ዘለውሉ እዋን ዘይሕሰብ እዩ ኢሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8B%E1%8B%AD-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B0-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%88%A8-%E1%8A%A0-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%8D-%E1%8C%8B-%E1%8A%A5-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%B3%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%88%85%E1%8B%88%E1%8B%B2%E1%8C%8D-%E1%8B%A9-%E1%8A%A2%E1%88%89\/4873701.html"} {"headline":"ኣስመሮም ወ\/ስላሰ፡ ንባህላዊት ክራር ብምምሕያሽ ጸገም ሙዚቀኛታ ዘቃለለ ስነ-ጥበባዊ","content":"ካብ ቤ\/ት ስነ-ኪነት ኣስመራ ብሞያ ኤለክትሪክሲቲን ኤለክትሮኒክስን ዝተመረቐ ስነ-ጥበብባዊ ኣስመሮም፡ ካብ ጊዜ ቆልዕነቱ ጀሚሩ ብዝሓደሮ ፍቕሪ ሙዚቃ ክራር ክፈታትንን ካብኡ ሓሊፉውን ክመልካን ናቱ ኣልቡም ክሕትምን በቒዑ`ሎ። ኣብ ስነ-ጥበባዊ ስርሑ ካብ ዘጋጠሞ ጸገማት ተበጊሱ ነታ ልምድቲ ባህላዊት መሳርሒት ሙዚቃ ክራር፡ስልክታት(ገመድ)ብምውሳኽ፡ ካብ`ቲ ዘላቶ ደረጃ ኣማሓይሹ ብምስራሕ፡ንኩሉ ዓይነት ቅኒታት ናይ ሙዚቃ ከምተገልግል ገይሩ ብምስራሕ ጸገም ስነ-ጥበባውያን ከቃልል ዝኸኣለ ስነ-ጥበባዊ`ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8B%88-%E1%88%B5%E1%88%8B%E1%88%B0-%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%88%AD-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%AB%E1%88%BD-%E1%8C%B8%E1%8C%88%E1%88%9D-%E1%88%99%E1%8B%9A%E1%89%80%E1%8A%9B%E1%89%B3-%E1%8B%98%E1%89%83%E1%88%88%E1%88%88-%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%8C%A5%E1%89%A0%E1%89%A3%E1%8B%8A\/4873478.html"} {"headline":"ኤርትራ-ንኤርትራዊ ኣመሪካዊ ኤርሚያስ ኣስገዶም ናይ ዝኽሪ መዳብ ተኻይዱ","content":"ትማሊ ሓሙስ 11 ሚያዝያ ምሸት ፡ንኣበርክቶን ጽልዋን ህቡብ ኤርትራዊ ኣመሪካዊ ናይ ራፕ ደራፋይ ኤርሚያስ ኣስገዶም(ኒብሲ ሃሰል)ኣብ ኣዳራሽ ዳዕሮ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ :ናይ ዝኽሪ መደብ ተኻይዱ ኔሩ። No media source currently available ኣብ`ቲ መደብ ቤተሰቡ ዝርከብዎ ብርክት ዝበሉ ፈተውቱን ኣድነቕቱን ዝተሳተፉሉ ናይ ዝኽሪ መደብ፡ ንታሪኽ ሂወቱ፡ጽልዉኡን ኣበርክትኡን ዝገልጹ ዝተፈላልለዩ ምድላዋት ቀሪቦም ነይሮም። እቲ ናይ ዝኽሪ ስነ-ስርዓት ድማ ብናይ ሽምዓ ምውላዕ መደብ ተዛዚሙ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%95%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%88%9A%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%8C%88%E1%8B%B6%E1%88%9D-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%88%98%E1%8B%B3%E1%89%A5-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/4873454.html"} {"headline":"ርእይቶ ሱዳናዊያን ንምልቓቅ መዝነት ዑመር ኣልበሽርን ወታሃደራዊ መሪሕነትን","content":"ንሱዳን ን30 ዓመታት ዝመርሑዋ ፕረዚዳንት ዑመር ኣል-በሽር ብወታደራት ካብ ስልጣን ወሪዶም ኣለው።ዑመር ኣል-በሽር ካብ ስልጣኖም ምውራዶም ታሕጓሶም ዝገለፁ ገለ ሰልፈኛታት ንዕኦም ንዝተክአ ወታደራዊ ቤት ምኽሪ የውግዙ ኣለው። ብናህሪ ዋጋ ባኒን ነዳዲን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ዝጀመረ ህዝባዊ ተቓውሞ ብዕልዋ መንግስቲ ተዛዚሙ’ሎ።ሎሚ ሓሙስ ብተለቪዥን ኣብ ዝተመሓለለፈ መግለፂ ናይ ሱዳን ሚንስትር ምክልኻል ጀነራል መሓመድ ኣሕመድ ኢብንፍ ኣል-ፕረዚዳንት በሽር ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ኣዊጆም። ጀነራል መሓመድ ኣሕመድ ነታ ሃገር ንኽልተ ዓመታት ዘመሓድር ወታደራዊ ናይ ሽግግር ቤት ምኽሪ ምጥያሹ ገሊፆም። ኣብ ቀረባ ፀረ ኣል-በሽር ናይ ዝተኻየዱ ተቓወሞታት ኣብ ምትሕብባር ቁልፊ ታራ ዝገብረ ማሕበር ሰብ ሙያ ሱዳን ብወታደር ዝምራሕ ናይ ሽግግር ቤት ምኽሪ ንሱዳን ንዝቕፅሉ ክልተ ኣዋርሕ ክመርሓ እዩ ንዝብል እወጃ ነፂጉዎ’ሎ። እቲ ማሕበር “ስቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ” ክምስረት ምሕፅንታ ብምቕራብ ሰባት ኣብ ዋና ከተማ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ሰራዊት ዝሓለፈ ቀዳም ዝጀመሩዎ ኮፍ ናይ ምባል ስጉምቲ ክቕፅልሉ ፀዊዑ’ሎ። ኣብ ካርቱም ርእይትኦም ዝሃቡ ክልተ ተቓወምቲ እውን ሰራዊት ስልጣን ምሓዞም ተቓዊሞሞ ኣለው። “እቲ ናይ ወታደራት ኣዋጅ ዘጉሂ እዩ” ኢሉ መሓመድ ዓሊ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብዝሃቦ ር እይቶ “መሓመድ ናይቲ ለውጢ ኩሎም ዕላማታት ስለዘየማልእ።ሰልፈኛታት ናይ ሱዳን ናይ ለውጢ ሕቶ ክሳብ ዝዕወት ኣብ ፊት ንፊት ዋና ቤት ፅሕፈት ሰራዊት ኮፍ ክብሉ ክሓቶም እደሊ’’ኢሉ። ሱሃ ኣሕመድ ዝተባህለት ተቓዋሚት እውን ሰልፈኛታት ክልተ ዓመት ወታደራዊ ግዝኣት ኣይቅበሉን ኢሉ። “ድሕሪ ናይ 30 ዓመት መግዛእቲ ሕቶታትና ብስቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ክሳብ ዝምለስ ኮፍ ምባልና ክቕፅል እዩ’’ ኢላ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ካርቱም መምህር ፖለቲካዊ ሳይንስ ፕሮፈሰር ሓሳን ሓጂ ገለ ተቓወምቲ ጉጅለታት ንወታደራዊ መንግስቲ ክነፅጉዎ እዮም ኢሎም። “ናይ ስቪል ካብኔ ተጣይሹ ንሓፈሻዊ ምርጫ ምድላው ዝገብር መሰጋገሪ መንግስቲ እዮም ዝደልዩ ዘለው።” ንሶም ብተወሳኺ ቀፃሊ መራሕቲ ሱዳን ዘጋጥሞም ዓበይቲ ብድሆታት እውን ገሊፆም ኣለው ፕሮፌሰር ሓሳን ሓጂ። “ቅድሚ ኩሉ ንዝሓለፈ ዓመት እናቆልቆለ ዝፀንሐ ቁጠባ ኣለና።ንመብዛሕቲኡ ህዝቢ ሱዳን ቀንዲ ዘገድስ እዚ እዩ፤ንዝውሓደ ድልየት ስድርኦም ዘርዊ እዚ እዩ።” ባሽር ኣብ ዳርፊር ሱዳን ተፈፂሙ ብዝብሃል ገበናት ኲናት ብዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ተደላዩ እዮም።ፕሮፈሴር ሓጂ ግን በሽር ንፍርዲ ናብ ወፃኢ ክልኣኹ እንተኾይኖም ጥርጣረ ኣለዎም። “ኣብ ሱዳን ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዝሓለፈ ስርዓት ንዝተፈፀመ በደል ክፍታሕ ዝደልዩዎ ብካሊእ መንገዲ እዩ።ገለ ሰባት ናይ ደቡብ ኣፍሪካ ወይ ሞሮኮ ኮምሽን ሓቅን ፍትሕን ተሞኩሮ ንውሰድ ዝብሉ ኣለው።ሰባት እዚ ብናይ ዱሳን ባህላዊን ኣፍሪካዊ መንገድን ክፍታሕ ኣለዎ ይብሉ።” ብመሰረት መንግስታዊ ማዕኸናት ዜና ሓያል ሃገራዊ ድሕነትን ኣገልግሎት ስለያን ሱዳን ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝርከቡ ፖለቲካዊ እሱራት ክፍትሑ እዮም ኢሉ’ሎ ። ዑመር ኣል-በሽር ናብ ስልጣን ዝደየቡ ኣብ 1989 ብዝተኻየደ እስላማዊ ዕልዋ እዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%93%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%89%93%E1%89%85-%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8B%91%E1%88%98%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%89%A0%E1%88%BD%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%AA%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95\/4872069.html"} {"headline":"ኤርትራ-“ህልቂት ሩዋንዳ ደቂ-ሰባት ክማሃሩሉ ዘለዎም ናይ ዘለናዮ መዋእል ኣስካሕካሒ ፍጻሜ`ዩ\" ክብሉ መንእሰያት ተዛሪቦም","content":"ኣብ ሩዋንዳ ዝተፈጸመ ዓሌታዊ ግጭት ዝጠንቁ ህልቂት ናይ ልዕሊ 800 ሽሕ ሰባት ፡ ኣብ ዘለናዮ ምዕቡል መዋእል፡ ደቂ-ሰባት ክመሃርሩሉ ዘለዎም ኣስካሕካሒ ፍጻመ`ዩ ክብሉ፡ ኣብ ኣስመራ ቪኦኤ ዘዘራረቦ መንእሰያት ተዛሪቦም። እቶም መንእሰያት ነዚ ዝተዛረቡ ብምኽንያት ኣብዚ ቅንያት`ዚ ዝካየድ ዘሎ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት “ህልቂት ሩዋንዳ ርእይትኦም ኣብ ዝተሓተትሉ እዋን`ዩ።\\n\\nቀቢላታት ቱትስን ሁቱ ድሕሪ`ቲ ዘሕለፍዎ ከቢድ ህልቂት ፡ነቲ ዘሕዝን ፍጻሜ ንድሕሪት ገዲፎም ምእንቲ ፍቕርን ሰላምን ብሓባር ክነብሩ ምኽኣሎም፡ እቲ ካልእ ህዝቢ ዓለም ክመሃረሉ ዘለዎ ኣብነትዊ ፍጻሜ ከምዝኾነ እቶም መንእሰያት ኣስሚሮሙሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB--%E1%88%85%E1%88%8D%E1%89%82%E1%89%B5-%E1%88%A9%E1%8B%8B%E1%8A%95%E1%8B%B3-%E1%8B%B0%E1%89%82-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%9B%E1%88%83%E1%88%A9%E1%88%89-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8A%93%E1%8B%AE-%E1%88%98%E1%8B%8B%E1%8A%A5%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%8A%AB%E1%88%95%E1%8A%AB%E1%88%92-%E1%8D%8D%E1%8C%BB%E1%88%9C-%E1%8B%A9-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/4872007.html"} {"headline":"ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወሎ ዝጀመረ ወጥሪ ሎሚ’ውን ቀጺሉ ምውዓሉ ተገሊጹ","content":"ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዩኒቨርስቲ ወሎ ዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ ሎሚ እውን ቀፂሉ ከምዝወዓለ ተፈሊጡ።ኣብ መንጎ ተማሃሮ ተወላዶ ኣምሓራን ተወላዶ ኦሮሞን ዘሎ ወጥሪ ዝያዳ ከይጋደድ መራሕቲ ሃይማኖት፣ዓበይቲ ዓድን ላዕለዎት ሰበስልጣን እቲ ክልልን ዝሓቖፈ ጉጅለ ምስ ተማሃሮ ምዝርራቡ’ውን ተፈሊጡ’ሎ። ሎም ቅነ ኣብ ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞን ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ኣጣየን ማጀቴን ብዝተፈጥረ ግጭት ህይወት ሰብ ምጥፍኡ ስዒቡ ተማሃሮ ዪኒቨርስቲ ወሎ ደሴ ካምፓስ ትማሊ ሰሉስ ሰልፊ ከካይዱ ፈቲኖም ነይሮም።መሰል ኣምሓራ ይከበር፣ኣምሓራይ መጥቓዕቲ ይፍጸሞ ኣሎ ብዝብል ሰልፊ ጀሚሮም ሓይልታት ፀጥታ ናብቲ ቐፅሪ መሊሱዎም ስዒቡ ኣብ መንጎ ተማሃሮ ግጭት ምፍጣሩ ፕረዚዳንት’ቲ ዩኒቨርሲቲ ዶ\/ር ኣባተ ጌታሁን ሓቢሮም። “ካብ ክልቲኡ ወገን እዚ ክፍጠር ዝደልዩ ኣለው።ፀገም ክፍጠር ዝደልይ ናይ ወፃኢ ኣካል እውን ስለዘሎ ዝተወሰነ ግጭት ተፈጢሩ።” በቲ ግጭት ሓደ ሰብ ሞይቱ ኣርባዕተ ተማሃሮ ድማ ቀሊል መቑሰልቲ ኣጋጢሙዎም። ብኻልእ ዜና ካብ ባቲ ናብ ከሚሴ ይጉዓዝ ዝነበረ 880 ጠያይቲ ክላሽን ኮፍ ኣብ ከተማ ኮምበልቻ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምውዓሉ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብቲ ቦታ ሓቢሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%89%A8%E1%88%AD%E1%88%B2%E1%89%B2-%E1%8B%88%E1%88%8E-%E1%8B%9D%E1%8C%80%E1%88%98%E1%88%A8-%E1%8B%88%E1%8C%A5%E1%88%AA-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%89%80%E1%8C%BA%E1%88%89-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%8B%93%E1%88%89-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4870354.html"} {"headline":"ኣስመራ፡ ኣብ እግሪ ህንጻ ፊያት-ታሌሮ ዝተገብረ ባህላዊ ምርኢት","content":"ዝናር ስነ-ጥበብ ዞባ ማእከል ብ5 ሚያዚያ 2019 ኣብ እግሪ ፊያት ታሌሮ ንህዝቢ ባህላዊ ምርኢት ኣቕሪባ።\\n\\nቀንዲ ዕላማ ናይቲ ብባህላዊ መሳርሒታት ሙዚቃ ተሰንዩ ኣብ ፊት ህንጻ ፊያት ታሌሮ ዝቐረበ ባህላዊ ምርኢት፡ባህላዊ መሳርሒታት ሙዚቃ ንምዕቃብን ብሓፈሽ ባህሊ ንምውርራስን ከምዝኾነ ተሓቢሩ። ማዕሪኡ ከኣ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ዝኣተዋ ህንጻታት ከተማ ኣስመራ ጽባቒኤን ብምጉላሕ ንምዕቃበን ቆላሕታ ንምሃብ ከምዝኾነ ኣብ ክፍሊ ባህሊ ዞባ ማእከል ዳይረክተር ያታዊ ትልሂትን ሙዚቃን ገዲም ስነ ጥበባዊ በረቕ ገ\/ሂወት ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A5%E1%8C%8D%E1%88%AA-%E1%88%85%E1%8A%95%E1%8C%BB-%E1%8D%8A%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%89%B3%E1%88%8C%E1%88%AE-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%A2%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8C%BD%E1%89%A3%E1%89%90%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%8B%B3%E1%88%B5%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%89%B3-%E1%89%B3%E1%88%AA%E1%8A%BB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8A%95%E1%8C%BB-%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%8C%89%E1%88%8D%E1%88%95-%E1%8B%A9\/4870319.html"} {"headline":"‘ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት’ ብዝብል ሽም ዝተጣየሸ ትካል","content":"‘Human Rights First’ ወይድማ ‘ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት’ ብዝብል ሽም ንሰብኣዊ መሰላት ዝሕለቕ ዘይመንገስታዊ ትካል ወይ ስቪክ ማሕበር ብሰብ ሙያ ሕጊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተመስሪቱ። ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ንኽረጋገፅን ኣብ ልዕሊ ውህዳን ዝፈፀም መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ንምሕላቕን ኣብ ቀረባ እዋን ሕጋዊ ኣፍልጦ ከምዝረኸበ ዝገለፁ ካብ መስረቲ ናይይቲ ትካል ኣቶ ተስፋኣለም በርሀን ኣቶ ኣበራ ንጉስን እዮም። ክልቲኦም ክኢላታት ኣብ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ይሰርሑ ዝነበሩ ክኾኑ ከለው ኣብዚ ሕዚ እዋን ናይ ውልቂ ኣማኸርቲ ሕጊ እዮም። ኣብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ይኹን ድምፆም ዘስምዕ ዘይብሎም ዝበሉዎም ክፋላት ማሕበረሰብ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ይፍፀም ከምዝፀንሐ ብምግላፅ እዚ ማሕበር ንከምዚኦም ዝበሉ ውሁዳን ክፋል ሕብረተሰብ ከምዝሕለቕ ሓቢሮም። ኢሳት ዝተብሃለ መራኸቢ ብዙሃን ቅድሚ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ናይ ዘርኢ ምፅናት ኣዋጅ ስለዝኣወጀ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ነቲ ጉዳይ ክምርምሮ ንዓቃቢ ሕጊ ምሕታቶም ወሲኾም ገሊፆም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/in-ethiopia-a-civic-organization-human-right-first-is-established\/4868607.html"} {"headline":"ኣባል ባይቶ ኣሜሪካ ካረን ባስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ማእሰርቲ ዘላ ኣሜሪካዊት ክፈትሕ ጸዊዓ","content":"መንግስቲ ኤርትራ ነታ ንዝሓለፉ ንልዕሊ 6 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ትርከብ ኣሜሪካዊት ዜጋ ክፈትሕ ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ኣደ መንበር ንኡስ ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ ካረን ባስ ፀዊዐን። ሲሃም ዓሊ ዓብዱ ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ተወሊዳ ኣብ ኤርትራ ዝዓበየት’ያ። ሲሃም ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2012 ብዘይሕጋዊ ፍቓድ ካብ ሃገር ክትወጽእ ኣብ ዝፈተነትሉ’ያ ተአሲራ፡ ካብኡ ንደሓር ኣበይን ኣብ ከመይ ኩነታት ከምዘላን ስድራቤታ ኣፍልጦ ሃለዋታ ከምዘይብሎም ይገልጹ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%AB%E1%88%A8%E1%8A%95-%E1%89%A3%E1%88%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%98%E1%88%8B-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8D%88%E1%89%B5%E1%88%95-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%93\/4868603.html"} {"headline":"ኣብ ምምሕዳር ዞባ ሕብረተሰብ ኦሮሞን ዞባታት ሰሜን ሸዋ መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ስጉምቲ ከምዝወስድ ተገሊጹ","content":"ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ምምሕዳር ዞባ ሕብረተሰብ ኦሮሞን ዝተፈላለዩ ዞባታት ሰሜን ሸዋ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ሓያል ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣፍሊጡ። እቲ ህወከት ዝተራእየሎም ከባቢታት ኣብዚ እዋን’ዚ ከምዝተረጋግኡ’ውን ኣፍሊጡ’ሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ኦሮሞ ሕውነትን ሓቢርካ ምንባርን ህዝብታት ብልኡኻት ኣፍረስቲ ሓይልታት ኣይተዓናቐፍን’ዩ ክብል መግለጺ ኣውጺኡ’ሎ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፕረስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን እቲ ንመዓልታት ኣብ ከባቢ ኬሚሲ ዝተጻህተረን ናብ አጣዬ፡ ካራ ቆሬን ማጀቴን ካልኦት ከባቢታትን ዝተጋፍሓ ጎንጺ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ነቲ ከባቢ ንምርግጋእን ህይወት ነበርቲ ንምድሓንን ኣካላት ጸጥታ ፈደራልን ክልልን ተመጣጣኒን ሕጋዊን ስጉምቲ ክወስዱ ትእዛዝ ከምዝተዋህበ ገሊጾም። በዚ ዝተወስደ ስጉምቲ’ውን እቲ ጸገም ተራእይሎም ዝነበረ ከባቢታት ኬሚሴ፡አጣሎን ማጀቴን ምርግጋእ ከምዝተራእየሎም ገሊጾም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9E%E1%8A%95-%E1%8B%9E%E1%89%A3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%88%B8%E1%8B%8B-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%99-%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%88%B5%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%88%B5%E1%8B%B5-%E1%89%A4-%E1%8C%BD-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4868567.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተፈጥረ ግጭት ክልተ ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ ከባቢታት አጣዮ:ካራቆሬ: መጀቴን ካልኦት ከባቢታትን ብዝተፈጥረ ግጭት ክልተ ሰባት ምሟቶም: ሓያለ ምቁሳሎምን ብዙሕ ንብረት ምዕናውን ተገሊጹ። ክልል ኣምሓራ ኣብዚ ጎንጺ ኢድ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣለዎ ክብል ክኸስስ ከሎ ኦነግ ብወገኑ ነቲ ክሲ ነጺግዎ’ሎ። እቲ ጎንጺ ብመንጎኝነት ሰራዊት ምክልኻል ደው ምባሉ’ውን ተገሊጹ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%A8-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/4867084.html"} {"headline":"ኢዲፒ ንሓድነት ኢትዮጵያን ቁጠባዊ ረብሓ ህዝባን ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ","content":"ናይ ኦሮሞ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ \/ኦዲፒ\/ ንሓድነት ኢትዮጵያን ቁጠባዊ ረብሓ ህዝባን ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ።ምኽትል ኣቦ መንበርን ዋና ኣምሓዳሪ ክልል ኦሮሚያን ኣቶ ለማ መገርሳ መበል 29 ዓመት ምስረታ’ቲ ፓርቲ ምኽንያት ብምግባር ኣብዘስምዕዎ መደረ እዮም ነዚ ዝበሉ። ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ሚሊኒየም ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ኣቶ ለማ መገርሳ እዚ ናይ ሎሚ በዓል ካብቶም ዝሓለፉ 28 ዓመታት ዝተፈለየ እዩ፤ምክንያቱ ዝለዓለ መስዋእቲ ተኸፊሉ ዝተረኸበ ዓወት ስለዝኾነ ኢሎም።ህዝቢ ናይ ልምዓትን ቁጠባን ተረባሒ ንምግባር ብሓባር ደው ክንብል ኣለና ኢሎም። ንሶም ብተወሳኺ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝንቀሳቐሱ ተወዳደርቲ ውድባት ንሓድነት ህዝቢ ክሰርሑ ፃውዒት ኣቕሪቦም ኣለው።መናእሰይ ብዝኸፈልኩምዎ መስዋእትነት ኣብዚ በፂሕና ኣለና ዝበሉ ኣቶ ለማ ዝመፀ ለውጢ ከም ሃገር ንምቕፃል ብምድምማፅን ምትሕግጋዝን ክንሰርሕ ኣለና ኢሎም። ኢዲፒ ንናይታ ሃገር ሰላምን ሓድነትን ከምዝሰርሕን ናይታ ሃገር ብሄርን ብሄረሰባትን ረብሓ ከምዝሕሉን እውን ገሊጾም። “ኦዲፒ ንህዝቢ ኦሮሞ ዝቃለስ ውድብ እዩ።ህዝቢ ኦሮሞ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተፈሊዩ ዝርአ ህዝቢ ኣይኮነን።ዝዓበየ ኣካል ኢትዮጵያ እዩ።ንህዝቢ ኦሮሞ ክንቃለስ ከለና ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምቅላስ ማለት እዩ።በዚ ኣጋጣሚ ሃገርና ኢትዮጵያ ሓደ ኮይና፣ህዝባ ተኸባቢሮም፣ሓደ ኮይኖም፣ብሄርን ብሄረሰባትን ማዕረ ኮይኖም፣ብሰላም ዝነብርሉላ ሓዳስ ኢትዮጵያ ንምፍጣር ፓርትና ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ንሓድነት ህዝቢን ሰላምን ኢትዮጵያ፣ንኽብራ ዝቃለስ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክነረጋግፀልኩም ይደልይ።” ናይ ኦሮሞ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣብ ፀልማት ኮይኑ ናይ ሎሚ ብርሃን ዝርኣየ እዩ ዝበሉ ምኽትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጅነር ታከለ ኡማ ውድቦም ንህዝቢ ኦሮሞ ጥራሕ ዘይኮነስ ንመላእ ናይዛ ሃገር ህዝቢ ብሓባር፣ብሰላምን ብፍቕርን ከገልግል እዩ ኢሎም። ከንቲባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ ሕቶ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንምምላስን መነባብርኡ ንምቕያርን ብዙሕ ስራሕ ይፅበዮም ከምዘሎን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኣድልዎ ንምግልጋልን ንኹሉ ንምስማዕን ድማ ቃል ኣትዮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%8B%B2%E1%8D%92-%E1%8A%95%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%81%E1%8C%A0%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%88%A8%E1%89%A5%E1%88%83-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A3%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4867001.html"} {"headline":"ካብ አዲስ አበባ ናብ ጅቡቲ ትጉዓዝ ዝነበረት ባቡር ተገልቢጣ ገለ ፋርጎታት ምስባሮም ተገሊጹ","content":"ካብ አዲስ አበባ ተበጊሳ ናብ ጅቡቲ ትጉዓዝ ዝነበረት ንብረት መንገዲ ባቡር ኢትዮጵያ ዝኾነት ናይ ጽዕነት ባቡር ኣብ ዞባ ምብራቅ ሸዋ ተገልቢጣ ሓደጋ ከምዝወረዳ ፖሊስ ምብራቅ ሸዋ ኣፍሊጡ። በቲ ሓደጋ ገለ ፋርጎታት ከምዝወደቃን ከምዝተሰባበራን ኣብ ህይወት ሰብ ግን ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ ሓቢሩ። መበገሲ’ቲ ሓደጋ ለይቲ ሓያል ዝናብ ኣብቲ ቦታ ወቒዑ ስለዝነበረ ብውሕጅ ዝመጸ ጭቃ ነቲ መንገዲ ባቡር ብምምልኡ ነታ ባቡር ሸተት ከምዝበላ ተገሊጹ’ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8C%85%E1%89%A1%E1%89%B2-%E1%89%B5%E1%8C%89%E1%8B%93%E1%8B%9D-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%89%A3%E1%89%A1%E1%88%AD-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%89%A2%E1%8C%A3-%E1%8C%88%E1%88%88-%E1%8D%8B%E1%88%AD%E1%8C%8E%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%89%A3%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4864061.html"} {"headline":"\" ኣበርክቶ ኒብሲ ሃስል ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ብነባርነት ክዝከር ክሰርሕ'የ\" ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ካረን ባስ","content":"ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ካረን ባስ ኣበርክቶ ኤርትራዊ ኣመሪካዊ ኒብሲ ሃስል ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ብነባርነት ክዝርከር ከምእትሰርሕ ኣፍሊጣ። ካረን ባስ ወኪል ዞባ 37 ካሊፎርንያ ማለት ኒብሲ ሃስል ዝዓበየሉ ከባቢ ዘጠቓልል ደቡባዊ ክፋል ሎስ ኣንጀለስ ብምውካል ኣብ ባይቶ ኣመሪካ እትሰርሕ ዘላ ፖለቲከኛ ኣባል ሰልፊ ደሞክራት እያ። ካረን ባስ፤ ኤርትራዊ ኣመሪካዊ ኒብሲ ሃስል ንዝዓበየሉ ከባቢ ብምሕጋዝን ወፍሪ ገይሩ ብምምዕባልን ዝገበሮ ኣበርክቶ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ክምዝገበሉ ዘኽእል ስራሕ ከምእትፍልም እያ ብመገዲ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሐቶ ሓበሬታ ኣረጋጊጻ። ኣባል ባይቶ ካረን ባስ ኣቐዲማ ንሳ ዝመርሓቶን ሓደስቲ ወከልቲ ህዝቢ ማለት ካብ ኮለራዶ ዝተወከለ ካብ ኤርትራውያን ስድራ፡ቤት ዝውለድ ኮንግረስማን ዮሴፍ ንጉሰን ካብ ሶማልያውያን ትውለድ ኮንግረስዉማን ኢልሃን ዑማርን ዝሓቖፈ ጉጅለ ልኡኽ ሒዛ ኣብ ኤርትራ ዑደት ገይራ ምንባራ ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%8A%AD%E1%89%B6-%E1%8A%92%E1%89%A5%E1%88%B2-%E1%88%83%E1%88%B5%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%89%A5%E1%8A%90%E1%89%A3%E1%88%AD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8B%9D%E1%8A%A8%E1%88%AD-%E1%8A%AD%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%8B%A8-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%AB%E1%88%A8%E1%8A%95-%E1%89%A3%E1%88%B5\/4863758.html"} {"headline":"ቦይንግ: ኣበር “ሰንሰር” ጠንቂ ሓደጋ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክኸውን ከምዝኽእል ተኣሚኑ","content":"ትካል መፍረ ነፋሪት ቦይንግ: ኣበር “ሰንሰ”ር ዝተባህለ ኣካል ነፋሪት፡ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘጋጠመ ምሕምሻሽ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተራ ከምዝነበሮ ኣፍሊጡ። መርመርቲ እቲ ሓደጋ ኢትዮጵያ ብወገኖም “ኣንታይ ስታል ሲስተም” ዝተባህለ ኣካል; ልክዕ ድሕሪ ምብራር ኣብ ግዜ ሓደጋ ኣብረርቲ ክቆጻጸርዋ ኣብ ዝቃለሱሉ ዝነበሩሉ ግዜ ብኣፋ ቁልቁል ክትንቆት ከምዝገበራ ኣብቲ ትማሊ ዘውጽእዎ መባእታዊ ውጽኢት መርመራ ኣፍሊጦም። ሚኒስተር መጎዓዝያ ኢትዮጵያ ወይዘሮ ዳግማዊት ሞጎስ; 157 ሰባት ናይ ዝቐተለት ኣብረርቲ ዝተሓምሸሸት ቦይንግ 737 MAX 8 ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ; ብኣፍራይ ኩባንያ ንዝተዋህበ ኣገባብ እኳ እንተተኸተሉ; ነታ ነፋሪት ግና ክቆጻጸርዋ ኣይከኣሉን ክትብል ብተወሳኺ ኣፍሊጣ። እቲ መባእታዊ ውጽኢት ምስታ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ጃቫ ኢንዶነዥያ ኣብ ባሕሪ ዝተሓምሸሸት ቦይንግ ዝዓይነታ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢንዶነዥያ ናይ ዘጋጠመ ሓደጋ ተመሳሳሊ ምንባሩ ድማ ብተወሳኺ ተሓቢሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A6%E1%8B%AD%E1%8A%95%E1%8C%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%88%AD-%E1%8C%A0%E1%8A%95%E1%89%82-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B-%E1%8A%90%E1%8D%8B%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%A8%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AD%E1%8A%B8%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%BD%E1%8A%A5%E1%88%8D-%E1%89%B0%E1%8A%A3%E1%88%9A%E1%8A%91\/4863652.html"} {"headline":"መንእሰያት ከተማ መቐለ ዘቕረብናዮ ሕቶ መሬት መልሲ ኣይረኸበን ክብሉ ይኸሱ","content":"ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ገጠር ናብ ከተማ ዝኣተዉ ከባቢታት ዝነብሩ ገለ መናእሰይ ቅድሚ 15 ዓመታት ዘእተውዎ ሕቶ መሬት መንበሪ ገዛ ክሳብ ሐዚ ምላሽ ኣይተውሃበናን ኢሎም። ምምሕዳር ከተማ መቐለ ብወገኑ ኣብቲ ጉዳይ ብዝወፀ መምርሒ መሰረት የተኣናግድ ኣለኹ ኣብዚ ዓመት እውን ንልዕሊ 9 ሽሕ መናእሰይ መሬት መንበሪ ክህብ ወሲነ ኣለኹ ኢሉ። ኣብ ከተማ መቐለ ምምሕዳር ክፍለ ከተማ ሓድነት ኣይናለም ኣብ ዝበሃል ከባቢ መናእሰይ ምስ ዕደላ መሬት መንበሪ ኣባይቲ ብዝተሓሓዝ ንብዙሕ ዓመታት ዘቕረብዎ ሕቶ ምላሽ ዘይምርካቡ ይገልፁ። ሕቶ ካብ ዘለዎም መናእሰይ ሓደ ግርማይ ካሕሳይ ዝተብሃለ ኣብ 1996 ዓ.ም እቲ ከባቢ ካብ ገጠር ምምሕዳር ናብ ከተማ መቐለ ካብ ዝተዛወረሉ እዋን ጀሚሩ ሕቶ መንበሪ ገዛ ሓቲትና ምላሽ ንምርካብ ክሳብ ሐዚ ንከላበት ኣለና ይብል። ሄለን ተስፋይ ዝተብሃለት እውን ኣብቲ ከባቢ ነባሪት እያ። በበእዋኑ ብዝወፁ መምርሕታት ዕደላ መሬት ክንተኣናገድ ኣይከኣልናን ትብል። ብ2003 ዕደላ ነይሩ ዝበዝሕ መንእሰይ ዘይወለድካ ተባሂሉ ከይተውሃበ ተሪፉ ድማ ኢላ። ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት እናተቐያየረ መምርሒ ከምዝወፅእ በዚ ድማ ተጠቀምቲ ንከይኾኑ የተኣጓጉል ኣሎ ኢላ። ሕቶ እቶም መናእሰይ ምላሽ ንምርካብ ንበዓል ሞያ ምፅራይን ምውሳንን ጥርዓን ጉዳይ መሬት ቤት ከተማ መቐለ ኣይተ ደስታ ካሕሳይ ብመሰረት ኣብ ወርሒ ሓምለ 2010 ዓ.ም ዝወፀ መምርሒ ልዕሊ 9,000 መናእሰይ መንብሪ ገዛ ክረኽቡ ይሰርሕ ምህላዉ ገሊፆም። ካብቲ መምርሒ ወፃኢ ግና ክነተኣናግድ ኣይንኽእልን ኢሎም። ኣብቲ መምርሒ ዘይተኻተቱ ፀገም መንበሪ ኣባይቶም ብማሕበር ተወዲቦም ዝፈትሕሉ ዕድል ተዳልዩ'ዩ ክብሉ ተዛሪቦም። ካብ ቢሮ ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዳስትሪን ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ ካብ ገጠር ናብ ከተማ ኣብ ዝተኻለሉ ከባቢታት ሕቶ መሬት ዘይተኣናገዱ ኣካላት ብመሰረት ሕጊ ደጊምካ ንምርኣይ ካብ ኩሎም ከባቢታት መረዳእታ ይእከብ ከምዘሎ እዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8B%9D%E1%89%95%E1%88%A8%E1%89%A5%E1%8A%93%E1%8B%AE-%E1%88%95%E1%89%B6-%E1%88%98%E1%88%AC%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%8A%B8%E1%89%A0%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8B%AD%E1%8A%B8%E1%88%B1\/4862390.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድን ኣቶ ለማ መገርሳን ንፈለማ ግዜ ንኢሉ ኣባቡራ በጺሖም","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ለማ መገርሳን ንፈለማ ግዜ ንኢሉ ኣባቡራ በፂሖም። ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝርከብ ዞባ ኢሉ ኣባቡራ ከተማ መቱ ዝበፅሑ ክልቲኦም መራሕቲ ንዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ከምዝመረቑ ተፈሊጡ’ሎ። ነባሪ ኢሉ አባቡራ ከተማ መቱ ዝኾኑ ኣቶ ንጋቱ ቶለሳ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይን ፕረዚደንት ኦሮምያ ኣቶ ለማ መገርሳን ነቲ ከባቢ ንፈለማ ጊዜ ምብጽሖም ከምዘሓጎሶም ገሊጾም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%88%88%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%8C%88%E1%88%AD%E1%88%B3%E1%8A%95-%E1%8A%92%E1%88%89-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%89%A1%E1%88%AB-%E1%89%A0%E1%8C%BA%E1%88%96%E1%88%9D\/4862346.html"} {"headline":"ቤት ፍርዲ ኣቶ በረኸት ስምኦንን ኣቶ ታደሰ ካሳን ዘቕረብዎ መሰል ዋሕስ ነጺግዎ","content":"ኣቶ በረኸት ስምኦንን ኣቶ ታደሰ ካሳን ዘቕረብዎ ናይ ዋሕስ መሰል ቤት ፍርዲ ሎሚ ሓሙስ ነጺግዎ። ክልቲኦም ተጠርጠርቲ ሕቶ መሰል ዋሕስ ዘቕረቡ ነቲ ጉዳይ ይከታተል ናብ ዘሎ ናይ ባህርዳርን ከባቢኡን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እዩ።እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ይካየድ ዝነበረ ምርመራ መዝገብ ተወዲኡ ተዓፅዩ ስለዘሎ መርማሪ ጉጅለ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ክሲ ክምስርት ከምዘለዎን ንሳቶም ድማ ናይ ዋሕስ መሰሎም ክሓቱ ከምዝኽእሉን ብመሰረት ዝሃቦ ውሳነ እዩ። ተኸሰስቲ እቲ መርማሪ ጉጅለ ንኽሲ ዘብቅዕ መረዳእታ ኣይረኸበን ንሕና ነፃ ኢና ብነፃ ድማ ክንፍታሕ ኣለና ክብሉ ከለው እቲ መርማሪ ጉጅለ ብወገኑ ኣብዘቕረቦ ተቓውሞ ሕጊ ፀረ ብልሽውና ዝተጥርጠርሉ ገበን ካብ 10 ክሳብ 25 ዓመት ማእሰርቲ ወይ ድማ ካብ 20 ሽሕ ክሳብ 400 ሽሕ ብር ዘቕጽዕ ብምዃኑ ናይቶም ተጠርጠርቲ ናይ ዋሕስ መሰል ይኽእልክል እዩ ክብል ተቓውሞ ኣቕሪቡ። ቤት ፍርዲ ብክልቲኦም ወገናት ንዝቐረበ ሙግት ድሕሪ ምስማዕ በመሰረት ሕጊ ፀረ ብልሽውና ዝተጠርጠርሉ ገበን ከቢድ ብምዃኑ ንዝቐረበ ናይ ዋሕስ መሰል ነጺግዎ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%8A%B8%E1%89%B5-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%8A%A6%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%89%B3%E1%8B%B0%E1%88%B0-%E1%8A%AB%E1%88%B3%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%89%95%E1%88%A8%E1%89%A5%E1%8B%8E-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%8B%E1%88%95%E1%88%B5-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8D-%E1%8A%90%E1%8C%BA%E1%8C%8D%E1%8B%8E\/4861983.html"} {"headline":"ኣብረርቲ ዝወደቐት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብቦይንግ ንዝተውሃበ መስርሕ ከምዝተኸተሉ ተገሊጹ","content":"ሰራሕተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ኣዲስ ኣበባ ምስተበገሰት ድሕሪ ቁሩብ ደቓይቕ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነታ ነፋሪት ብዝሰርሕ ኩባንያ ንዝተውሃበ መስርሕ ከምዝተኸተሉ ሎሚ ሓሙስ ዝወፀ ሪፖርት ገሊፁ። ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቐረበ መባእታዊ ፀብፃብ ሰራሕተኛታት ናይታ ነፋሪት ነታ ፍሪያት ቦይንግ ዝኾነ 737 MAX 8 ዝተቐመጠ መስርሕ ወይ ቅድመ ኩነት ዝተኸተሉ’ዃ እንተኾኑ ነታ ነፋሪት ክቆፃፀሩዋ ከምዘይክኣሉ ይግለፅ። እቲ ፀብፃብ ካብታ ዝተሓምሸሸት ነፍሪት ብመሰረት ዝተቐድሐ ሓበሬታ ዝወጸ’ዩ። 157 ተሳፈርቲ ዝሞትሉ ምሕምሻሽ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ስዒቡ ኩለን ነፍርቲ 737 MAX 8ን MAX 9ን ከይበራ ምክልካለን ይዝከር። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%8B%B0%E1%89%90%E1%89%B5-%E1%8A%90%E1%8D%8B%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%A8%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%89%A6%E1%8B%AD%E1%8A%95%E1%8C%8D-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%8D%E1%88%83%E1%89%A0-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%89%B0%E1%88%89-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4861963.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ልምዓት ሰብሃብቲ ንጨንፈር ኣገልግሎት ጥዕና ብዝብል ፕሮጀክት 50 ሽሕ ሰብሞያ ከምዘፍረየት ተገሊጹ","content":"ልምዓት ሰብ ሃብቲ ንጨንፈር ኣገልግሎት ጥዕና ብዝብል ፕሮጀክት ኢትዮጵያ ኣስታት 50 ሽሕ ሰብ ሞያ ከምዝፍረየት ተገሊጹ። እዚ ንሸውዓተ ዓመታት ዝጸንሓ ፕሮጀክት ሎሚ ዓመት ከምዝዛመን 55 ሚልዮን ዶላር ከምዝፈሰሶን ተገሊጹ’ሎ። እዚ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመታት ክትግበር ዝጸንሓ ፕሮጀክት ምሕያል ዓቕሚ ሰብ ጽቡቕ ውጽኢት ከምዝተመዝገበ ኣብ ስነ ስርዓት መዛዘሚ ዝተረኽቡ ሚንስትር ጥዕና’ታ ሃገር ዶ\/ር ኣሚር ኣማን ገሊጾም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%8D%E1%88%9D%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%83%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%8A%95%E1%8C%A8%E1%8A%95%E1%8D%88%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%80%E1%8A%AD%E1%89%B5-50-%E1%88%BD%E1%88%95-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%9E%E1%8B%AB-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8D%8D%E1%88%A8%E1%8B%A8%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4860735.html"} {"headline":"መደረ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ስነ ስርዓት ቀዳማይ ዓመት መዝነቶም","content":"ቀዳማይ ዓመት መዝነት ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ምኽንያት ብምግባር ትማሊ ሶሉስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ መደረ ኣስሚዖም ኣለው። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ስልጣን ዝሓዝሉ ቀዳማይ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ኣዳራሽ ሚሊኒየም ኣብዝተኻየደ ስነስርዓት ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰባትን ፍሉጣት ሰባትን ዝተዓደምሉ ነይሩ። ኣብቲ ስነስርዓት ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብቲ ኣዳራሽ ንዝተኣከበ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መላእ ኢትዮጵያን ኣብ ዙሪያ ዓለምን ንዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ኣመስጊኖም። “ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ዝኸድኩዎ ኩሉ ከባቢ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍቕሪን ብታሕጓስን ኣብ ጎንኻ ኣለና ኢልኩም ዝድገፍኩምኒ ከምኡ እውን 16 ሰነ ዝተፃወደለይ ናይ ሞት እንግዶት ተሻሚኹም ኣብ ክንዳይ ዝሞትኩም፣ዝቖሰልኩምን ዝደመኹምን ….ኢትዮጵያን ኢትዮጵያዊያን ብዘይካ ኣነ ምንባር ትኽእሉ ኢኹም።ኣነ ግን ብዘይ ብኣካኹም ዋጋ የብለይን።” ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ መዝነት ተቀቢሎም ቃለ ምሓላ ካብ ዝፍፅሙ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያዊያነትን ብዝምልከት ኣብ ዘስምዕዎም መደረታት ተቐባልነት ካብ ዝረከቡሎም ሓደ ጉዳይ እዩ።ኣብዚ ናይ ሎሚ መደርኦም እውን ኢትዮጵያዊነት ብዝምልከት ከምዚ ኢሎም። “ዘቢሉ ዝነበረ ኢትዮጵያዊነት ነቕንዓዮ ዝብል ፕሮጀክት ሓቢርና ክንጅምር ከለና ኢትዮጵያዊነት ታክቲክ ወይም ቴክኒክ ክኸውን ኣይኽእልን።ኢትዮጵያዊነት ዘይቆራረፅ ሻሕሻሕታ፣ዘይስበር ከውሒ፣ዝነበረን ንዝነብርን ዓሚቕ ምስጢር ምዃኑ ብምግንዛብ እውን እዩ።” ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝለዓለ ናይ ለውጢ ስራሓት ከምዝተሰርሑ ብምግላፅ እቲ ለውጢ ከም ጋሻ ውሕጅ ሃንደበት ዝመፀ ዘይኮነ ብዙሓት ዝሞትሉ፣ዝተገረፉሉ፣ዝተኣሰርሉ፣ዝተሰደዱሉ ናይ ሓባር ቓልሲ እምበር ናይ ውሑዳት ሰባት ውፅኢት ኣይኮነን ኢሎም። ቁጠባ እታ ሃገር ብዝምልከት ኣብተን ዝሓለፋ ሸውዓተ ኣዋርሕ ኣብ ሓደ ሚእቲ ዓመት ዘይተርኣየ ቁጠባዊ ዓወት ምርካቦም ምስ ዝተረኽበ ሸርፊ ወፃኢ ብምትእስሳር ከምዚ ኢሎም። “ኣብቶም ዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ ጥራሕ ብኢንቨስትመንት፣ብልቓሕ፣ብረድኤት፣ብረሚታንስን\/ወይ ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ዜጋታት ናብ ዓዲ ዝልእኹዎ ገንዘብ\/ ብኣገልግሎትን 13 ቢሊዮን ዶላር ናብ ኢትዮጵያ ምእታው ክኢልና ኢና።” ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብ መደርኦም ናይ ዝሓለፈ ዓወት ብምዝራብ ጥራሕ ከይኮነስ ሓደሽቲ ዓወታት ብምምዝጋብ ንኢትዮጵያዊያን ዳግም ዘኹርዕ ስራሕ ከምዝሰርሑ ቃል ኣትዮም ኣለው።ኣብ ዝቕፅል ዓመት ንኣፍሪቃ ኣብነት ዝኾነ ምርጫ ክነካይድ ኢና ኢሎም። “ዝመጽእ ዓመት ብመሰረት ቦርድ ምርጫ ዝካየድ ምርጫ ፍፁም ነፃን ዲሞክራሲያውን ብምግባር ዳግም ንኣፍሪቃ ሓድሽ ተመክሮ ንምሃብ ኣብነት እንኾነሉ ከምዝኸውን ዝለዓለ ተስፋይ ኢትዮጵያዊያን እውን በዚ መንፈስ ትፅቢት ክገብሩ ድልየተይ እዩ።” ቀጺሎም ቀ\/ሚ ኣብይ ዘጉደልናዮ እንተሃሊዩ ብትሕትና ንኢትዮጵያዊያን ይቕሬታ እሓትት ኣለኹ እውን ኢሎም። “ኣባይ ተስፋ ገይርኹም፣ክፍፅሞ እዩ ኢልኩም ዝሓሰብኩምዎ ግን ኸኣ ዝጎደለ ነገር እንተሃልዩ ድልየት ካብዘይምህላውን ዕሽሽ ካብ ምባልን ዘይኮነስ ምናልባሽ እውን ካብ ምንኣስ ፍልጠትን ናይ ኩነታት ዘይምጥዕዓምን እተዘይኮይኑ ኩሉ ግዜይ ብተኣማንነት ዘገልገልኩኹም ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ክገልፀልኩም እደልይ። “ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ እቲ ዝሓለፈ ዓመት ናይ ፈተና ዓመት ምንባሩ እውን ሓቢሮም።ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዘሎ ወጥሪ፣ኣብ ምዕራብ ጉጂን ጌዶንን ከምኡ እውን ኣብ ክልላት ሶማሊያን ኦሮሚያን ዘሎ ግጭትን ምስሕሓብን ብምጥቓስ ፃውዒት ሰላም ኣቕሪቦም ኣለው።ዓባይ ኢትዮጵያ ናይ ምፍጣር ስራሕ ካብ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ እምበር ካብ ሓደ ቀዳማይ ሚንስትር ትፅቢት ዝግበር ኣይኮነን ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8B%B0%E1%88%A8-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%B6%E1%88%9D-\/4860537.html"} {"headline":"መኢኣድን ኣርበኞች ግንቦት 7 ውህደት ፈጢሮም ዝብል መግለጺ መኢኣድ ኣፍልጦ ከምዘይህብ ገሊጹ","content":"ውድብ ሓድነት መላእ ኢትዮጵያ\/መኢኣድ\/ ምስ ኣርበኞት ግንቦት 7ተፈፂሙ ንዝተባህለ ውህደት ኣፍልጦ ከምዘይህቦ ገሊፁ።ኣርበኞት ግንቦት 7 እቲ ኽሲ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ እዩ ኢሉዎ’ሎ። ውድብ ሓድነት መላእ ኢትዮጵያ\/መኢኣድ\/ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ምንቅስቓስ ኣርበኞት ግንቦት 7 ውህደት ፈፂሙና ኢሉ ዘውፅኦ መግለፂ ኣፍልጦ ኣንህበሉን ኢሉ። ኣርበኞች ግንቦት 7 ንኣባላትናን ደገፍትናን ናይ ምክፍፋል ዕላማ ዘለዎ ሓደገኛን ዘይሕጋውን እዩ ክብል መኢኣድ ኾኒኑዎ’ሎ። ምኽትል ፕረዚዳንት መኢኣድ ኣቶ ሙሉጌታ ኣበበ “ዝወረና ዘሎ ኢዴፓ ኣይኮነን፤ዝወረና ዘሎ ሰማያዊ ኣይኮነን። ግንቦት 7 ፈሪስና ንሰራሕ ኢሉ ብዝሓዞ ፍልስፍና ንመኢኣድ ንምጥፋእ ይንቀሳቐሰ ኣሎ።ምስ ሓድሽ ፓርቲ ተሰለፉ፣ውህደት ፈፅሙ፣ዝብል ካብ ቃላት ጀሚሩ ክሳብ ብናውቲ ብምሕባል ንኣባላትና ናይ ምክፍፋል ስራሕ ይስራሕ ስለዘሎ እዩ ንግንቦት 7 ፈሊና ዝፀዋዕናዮ” ኢሎም። ኣቶ ሙሉጌታ ብተወሳኺ እቲ ውድብ ካብ ጌግኡ ክምሃር ዘይኽእል እንተኾይኑ ብሕጊ ከይተረፈ ክንሓቶ ኢና ኢሎም ። ሓላፊ ክፍሊ ፖለቲካ ኣርበኞች 7 ግንቦት ኣቶ ኤፍሬም ማዴቦ መኢኣድ ዝሃቦ መግለፂ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ ኢሎም። “ክሳብ ሎሚ ይትረፍስ ምዝርራብ ደው ምስ ዘበልናዮ መኢኣድ፣ ክንውሃድ ኢና ኢልና ምስ ዝሓሰብናዮም ሓሙሽተ ውድባት እውን ገና ኣይተውሃድናን።ተዋሂድና ዝብል መግለፂ መዓዝ ከምዝተውሃበ ንመኢኣድ ምሕታትና ኣይተርፍን።” ኣቶ ኤፍሬም ወሲኾም ብመሪሕነት ኣርበኞች ግንቦት 7 ከምኡ ዝብል መግለፂ ተዋሂቡ እንተኾይኑ ንመኢኣድ ይቕሬታ ከምዝሓቱን መኢኣድ እውን ዘይተወሃበ መግለፂ ብምጥቓስ ይኸስስ እንተሃሊዩ ይቕሬታ ክሓቱ ኣለዎም ኢሎም ። ክልቲኦም ፖለቲካዊ ውድባት ቅድም ክብል ንምውሃድ ዝገበሩዎ ፃዕሪ ከይተሰማምዑ ምትራፎም ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%A2%E1%8A%A3%E1%8B%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%AD%E1%89%A0%E1%8A%9E%E1%89%BD-%E1%8C%8D%E1%8A%95%E1%89%A6%E1%89%B5-7-%E1%8B%8D%E1%88%85%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8D%88%E1%8C%A2%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%93%E1%89%82-%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%88%93%E1%89%90-%E1%8B%A9-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B2%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A6%E1%88%9D\/4857291.html"} {"headline":"ህቡብ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ደራፋይ ኒብሲ ሃስል ተቐቲሉ","content":"ሕጹይ ሽልማት ግራሚ ኣዋርድ 2018 ዝኾነ ወዲ 33 ዓመት ብኒብሲ ሃስል ዝፍለጥ ህቡብ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ደራፋይ ኤርምያስ ኣስገዶም፡ ትማሊ ብዝተተኮሰሉ ኣድራጋ ጠያይት ኣብ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ተቐቲሉ። ፖሊስ ኣብ ኣፍደገ’ቲ ኒብሲ ሃስል ዝውንኖ ‘ማራቶን ክሎዚንግ’ ዝተባህለ ትካል ክዳውንቲ፡ ሰለስተ ሰባት ኣድራጋ ጠያይት ከምዝተተኾሰሎምን ኒብሲ ክመውት ከሎ እቶም ክልተ ቆሲሎም ኣብ ደሓን ኩነታት ከምዘለው ሓቢሩ’ሎ። ሌተናንት ክሪስ ራሚዝ አባላት ፖሊስ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ኣብቲ ከባቢ ዘለው ካሜራታት ነቲ ፍጻመ ቐዲሐን እንተኮይነን ንምርግጋጽ ይንቀሳቀሱ ከምዘለው ገሊጾም። ከንቲባ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ኤሪክ ጋርሰቲ፡ በቲ ፍጻመ ዝተሰምዖም ሓዘን ኣብ ዘውጽእዎም ናይ ትዊተር መልእኽቲ ገሊጾም። “ልብና ምስ ፈተወቲ ኒብሲ ሃሰልን በዚ ዘሕዝን ፍጻመ ዝተተንከፉ ኩላቶንም’ዩ። ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ድማ ነፍሲ ወከፍ ጊዜ መንእስያት ትርጉም ብዘይብሉ ተኹሲ ህይወቶም ክስእኑ ከለው ዓሙቕ ሓዘን ይስምዓ’ዩ። ናይ ሓደጋ እዋን ግብረ መልሲ ወሃቢ ጉጅለ ድማ ኣብዚ ዘሰንብድን ዘሕዝንን ጊዜ ምስ ስድራቤት ክተሓባበሩ’ዩም” ኢሎም። ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ኒብሲ ንሙዚቃ ልዑል ስምዒት ከምዘለዎ ብተደጋጋሚ ዝገልጽ እንተኾነ ኣብ 14 ዓመቱ ካብ ቤት አዲኡ ወጺኡ ምስ ዓባዩ ክንብር ምስ ጀመረ ህይወቱ ክመርሕ ንሮሊንግ 60ታት ዝተባህለ ጉጅለ ብምሕዋስ ኣብ ጎደናታት ክነብር ከምዝጀመረ’ውን ይገልጽ። “Victory Lap” ዝብል ኣልበሙ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ሙዚቃ ዝበለጸ ኣልበም ተባሂሉ ዝተረቑሓ ክከውን ከሎ ኣብ ሰንጠረዥ ሙዚቃ ዓለም ራብዓይ ደረጃ ክበጽሕ ዝኸኣለ`ዩ። ኤርምያስ ኣስገዶም ኣቦ ክልተ ቆልዑ ኮይኑ ምስ ኣደ ሓንቲ ጓሉ ዝኾነት ተዋሳኢት ሎረን ሎንደን ኣብ ቀረባ እዋን ተሓጽዩ ምንባሩ ይፈልጥ። ሞት ሙዚቀኛ ኒብሲ ምስተሰምዓ ዝተፈላለዩ ፍሉጣት ሰባት ዝተሰምዖም ሓዘን ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝገለጹ ክኾኑ ከለው ፍልጥቲ ሙዚቀኛ ሪሃና “ ምንም ትርጉም ክህበኒ ኣይከአለን። መንፈሰይ ሰንቢዱ’ዩ” ክትብል ኣብ ማሕበራዊ ገጻታ ድሕሪ ምጽሓፍ ንፈተውቱን ስድራቤቱን ምጽንናዕ ተመንያ። ኾኾብ ተጻዋታይ NBA ስቲቭ ከሪ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ “ ጎይታ ንነብሲ ሸፍኖን ምለሶን” ኢሉ’ሎ። ሕጽይቲ ሽልማት ኤሚ ዝኾነት ተዋሳኢት ኢሳ ራኢ ድማ “ ንነብሲ ክርእይ ከለኹ ኣብ ሕበረተሰብና ወፍሪ ከነካይድ ይተባባዕ’የ” ክትብል ኣብ ናይ ትዊተር ገጻ ጽሒፋ’ላ። ፍሉጥ ደራፋይ ስኑፕ ዶግ ኣብ ኢንስትግራም ኣብ ዘውጽኦ ቪድዮ “ ጸሎተይ ምስ ስድራቤት ነብሲ’ዩ። እዚ ዓይነት ፍጻመ ደው ክብል ኣለዎ” ኢሉ’ሎ። ኤርትራዊት ኣሜሪካዊት ተዋሳኢት ቲፋኒ ሓድሽ ብወገና “ብዙሕ ክብል ይደልይ ግን ሓዘነይ ልዑል ብምዃኑ ክዛረብ’ውን ኣይክእልን። ተመሳሳሊ ብዙሕ ሓሳብ ከምዝነበረና ግን ይፈልጥ’የ ምናልባት ክልቴና ካብ ደቡብ ሎስ ኣንጀለስን ካብ ኤርትራን ስለዝኾና ይኸውን” ኢላ’ላ። ኒብሲ ሃሰል ካብ ሙዚቃ ወጻኢ ኣብቲ ንሱ ዝዓበየሉ ከባቢ ንዝነብሩ ህጻናት ኣብ ምትብባዕን ተስፋ ምሃብን ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክሰርሕ ምጽንሑ ይፍለጥ። ኒብሲ ሃስል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሚያዝያ ንኤርትራ ምብጽሑን ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተረኺቡውን ተመክሮኡ ምክፋሉ ይዝከር። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%8D%8B%E1%8B%AD-%E1%8A%92%E1%89%A5%E1%88%B2-%E1%88%83%E1%88%B5%E1%88%8D(%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%88%9D%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%8C%88%E1%8B%B6%E1%88%9D)-%E1%89%B0%E1%89%90%E1%89%B2%E1%88%89\/4856728.html"} {"headline":"ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ባህርዳርን ከባቢኣን ኣብ ልዕሊ ኣቶ በረኸት ስምኦንን ኣቶ ታደሰ ካሳን ክካየድ ዝፀንሐ ምርመራ ምዝዛሙ ገሊጹ","content":"ኣብ ልዕሊ ኣቶ በረኸት ስምኦንን ኣቶ ታደሰ ካሳን ክካየድ ዝፀንሐ ምርመራ ምዝዛሙ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ባህርዳርን ከባቢኣን ሎሚ ዓርቢ ኣፍሊጡ።ኣቶ በረኸት እውን ናይ ዋሕስ መሰሎም ክሓቱ ከምዝኽእሉ ተገሊፅሎም ኣሎ። ኣቶ በረኸት ሕጂ እውን ምክልባትን ጸርፍን ይገጥሞም ስለዘሎ ሕገ መንግስታዊ መሰሎም ንከኽብረሎም ንቤት ፍርዲ ሓቲቶም። ንሶም ወሲኾም ዝቖፀሩዎ ጠበቓ ሕጊ ብዝወረዶ ምፍርራሕ ቀሪቡ ክከራኸረሎም ከምዘይልኣለ ገሊፆም። ኣቶ ታደሰ ብወገኖም ኣብ ልዕሌናን ቤተሰብናን ዝለዓለ ተፅዕኖ ይፍፀም ስለዘሎ ጉዳይና ካብ ባህርዳር ወፃኢ ይርኣየልና ክብሉ ጠሪዖም። እቲ መርማሪ ጉጅለ ምስ መሸጣ ማሕበር ኣክስዮን ዳሽን ቢራ ብዝተኣሳሰረ 635 ሰነድን 35 ናይ ሰብሙያ ርእይቶን ንምቕራብ እኹል ግዜ ይውሃበኒ ኢሉ’ሎ። ቤት ፍርዲ ድሕነት ተጠርጠርቲ ንክሕሎ ቅድሚ ሎሚ ትእዛዝ ምሃቡ ብምዝኽኻር እቲ ጉዳይ ካብ ባህር ዳር ወፃኢ ይርኣይ ዝብል ኣብ ዝቕፅል ክርአ እዩ ኢሉ’ሎ። ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ክሲ ክምስርትን ተጠርጠርቲ ድማ ሕገ መንግስታዊ መሰሎም ብምጥቃም መሰል ዋሕስ ክሓቱ ከምዝኽእሉ እቲ መጋባእያ ንተጠርጠርቲ ገሊፁሎም ኣሎ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/4854286.html"} {"headline":"ኤርትራ ሃለዋት ዝተሰወሩ 11 ፖለቲካዊ መራሕቲን 18 ጋዜጠኛታትን ንክተፍልጥ ተሓቲታ","content":"‘መንግስቲ ኤርትራ እቶም ካብ 2001 ዓም ጀሚሩ ሃለዋቶም ዘይፍለጥ ዝተሰወሩ ብርክት ዝበሉ ሰባት መብርሂ ንከቕርብ’ ኪኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ጸዊዖም። 18 ሰባት ዝኣባላታ ኮሚተ ናጻ ኪኢላታት ሰብኣዊ መሰላት፣ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገዛኢ ኩነታት ብርክት ዝበሉ ሻቕሎታት ኣለዎም። ‘ኣብ ኤርትራ፣ ብዘይፍርዲ ምቕታል፣ ምስቓይ፣ መስወርቲን ካልኦት ከበድቲ መግሃስቲን ከምዝፍጸሙ’ ከምዝፍጸም’ውን ተገሊጹ ኣሎ። ደቡብ ኣፍሪቃዊ ናጻ ኪኢላ ክሪስቶፍ ሄይንስ ‘ካብ 2001 ዓም ጀሚሩ ዝተሰወሩ ጋዜጠኛታት፣ ብህይወት ይሃልው ኣይሃልው ዝፈልጥ ዋላ ሓደ ሰብ’ውን የለን’ ይብል ሓደ ኣባል’ታ ኮሚቴ። ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ዝተፈጸመን ን11 ኣባላት ህግደፍ ብምጥቃስ ክዛረብ ከሎ ‘ንሳቶም ዝተኣሰሩ ንመንግስቲ ዝነቅፍ ስለዝጻሓፉ’ እዩ ኢሉ። እንታይ ኮኑ? ዝፈልጥ ሰብ የለን ምስ በለ፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጠንቂ ስደት መናእሰይ ናብ ኣውሮጳ ከምዝኾነ ኪኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ይኣምኑ። ዝተመልመሉ ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ተገዲዶም ብትሑት ክፍሊት ወይ ብናጻ ከምዝሰርሑን’ውን ሓቢሮም። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/eritrea-unhrc-urges-eritrea-to-clarify-the-fate-of-dozens-of-people-who-have-disappeared\/4854271.html"} {"headline":"ዝወደቐት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሰንኪ ቴክኒክ ምዃኑ ዎል ስትሪት ገሊጹ","content":" ዝወደቐት ቦይንግ 737 MAX 8 ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘጋጠማ ናይ ቴክኒክ ፀገም ምዃኑ ዎል ስትሪት ጆርናል ዝተባህለ ፍሉጥ ጋዜጣ ኣሜሪካ ሎሚ ዓርቢ ፀብፂቡ። እቲ ጋዜጣ ነዚ ዝበለ ካብ መብርሂ መባእታዊ ውጽኢት ናይቲ ምርመራ ዝተዋህበ ሓበሬታ ምዃኑ ንምንጭታት ብምጥቓስ ሓቢሩ’ሎ። 1 መጋቢት 2011 ዓ\/ም ብዘጋጠመ ሓደጋ ምሕምሻሽ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ኩሎም 157 ሰባት ምሟቶም ይዝከር። እቲ ሓደጋ ምሕምሻሽ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ኢንዶኖዢያ 189 ሰባት ምስ ዝሞቱሉ ምውዳቕ ጀት 737 MAX 8 ተመሳሳሊ እዩ። ምስዚ ብዝተኣሳሰረ ትማሊ ሓሙስ ስድራ በቲ ሓደጋ ህይወቱ ዝስኣነ ሩዋንዳዊ ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ኩባኒያ ቦይንግ ክሲ ጀሚሮም ኣለው። እቲ ክሲ ቦይንግ ን737 MAX 8 ክሰርሕ ከሎ ሸለልትነት ኔሩ ብዝብል’ዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%8B%B0%E1%89%90%E1%89%B5-%E1%8A%90%E1%8D%8B%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%A8%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%89%B4%E1%8A%AD%E1%8A%92%E1%8A%AD-%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%91-%E1%8B%8E%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4854269.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኣዩ ዘለው ፈተናታት ባህርያት ለውጢ’ዮም ክብል ኦዲፓ ገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ዝረኣዩ ዘለው ፈተናታት ዝተለመዱ ባህሪያት ለውጥን እዮም ክብል ናይ ኦሮሞ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ(ኦዲፓ) ኣፍሊጡ።ማእኸላይ ኮሚቴ እቲ ፓርቲ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ናይቲ ውድብ ድኹምን ብርቱዕን ጎንታት ብምግምጋም ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ዝነበሩ ዶ\/ር ወርቅንህ ገበየሁ ብኣቶ ኡመር ሁሴን ተኪኦም ኣለው። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት እቲ ውድብ ዶ\/ር ኣለሙ ስሜ ኦዴፓ ናይቲ ውድብ ውሽጣዊ ጉዳያት ብዝምልከት ዓሙቕ ምይይጥን ገምጋምን ምክያዱ ገሊፆም። ኣብ መስርሕ ለውጢ ህንፀት ዴሞክራሲ ፅቡቕ ምጅማር ከምዘሎ ምግምጋሙን ኩሉ ዓቕሙ ፀንቂቑ ክጥቀም ከምዘይክኣለ እቲ ፓርቲ ምግምጋሙ ዶ\/ር ኣለሙ ሓቢሮም።እቲ ፓርቲ ኣጋጢሞምና ዝበሉዎም ናይ ለውጢ ብድሆታት ምግምጋሙ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%8A%A3%E1%8B%A9-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%8D%88%E1%89%B0%E1%8A%93%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%AD%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%88%88%E1%8B%8D%E1%8C%A2-%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%8B%B2%E1%8D%93-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4853841.html"} {"headline":"ርእይቶ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ውሳነ ምሕላፍ ተጸዋዕነት ትእምንት ንቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ","content":"ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት) ተፀዋዕነቱ ንቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ክኸውን ውሳነ ምሕላፉ መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ ኣሎ። ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ወይዘሮ ልያ ካሳ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ ትእምት ተፀዋዕነቱ ናብቲ ቤት ምኽሪ ክኸውን ከምዝተወሰነ ተዛሪበን። መተሓዳዳሪ ደንቢ ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት) ንብረትነት እቲ ትካል ናይ ህዝቢ ትግራይ ብምዃኑ መሰረት ቦርድን ቤት ምኽሪን እቲ ትካል ብዘመሓላለፎ ውሳኔ መሰረት ተፀዋዕነት እቲ ትካል ንቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ክኸውን ምውሳኑ ምግላጽና ይዝከር። ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ዝተፈላለዩ ወገናት ዝሃብዎ ርእይቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%8B%88%E1%8C%88%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%88%8B%E1%8D%8D-%E1%89%B0%E1%8C%B8%E1%8B%8B%E1%8B%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8A%A5%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/4853799.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣይተመሓየሽን ይብል","content":"መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝጸንሓ ግጭት ዶብ ክበቅዕ ዝገበረ ስምምዕ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝፍርም ንነጀው ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት’ታ ሃገር ኣይተመሓየሸን ክብሉ ሰብሞያ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጦም። ኮሚተ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ልዕሊ እዋናዊ ኩነታት ኤርትራ ምምይጥ ምክያዱ ይዝከር። ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ናይ 20 ዓመታት ወታሃደራዊ ምፍጣጥ ስምምዕ ሰላም ምስ ተገብረ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ ምሰላት ኤርትራ ክመሓየሽ ዝብል ተስፋ ዝለዓል’ዩ ኔሩ። ይኹን ደአ እምበር እዚ ተስፋ’ዚ ክውን ኣይኮነን ክብሉ ምክትል ኮሚሽነር ጉባኤ ሰ ኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኬይት ጊልሞር ሓቢሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%8B%95%E1%88%AD%E1%89%80-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%A8%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%8D\/4852318.html"} {"headline":"ኣብ ዶብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ዝረአ ጎንጺታት ነባሪ ፍታሕ ንምምጻእ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ","content":"ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ክልል ኣምሓራን ኦሮምያን ዝተፈጥረ ዝኾነ ግጭት ኮነ ዘይምርድዳእ የለን፡እዚ ናይ ውሑዳን ናይ ፖለቲካ ቁማርተኛታት ወረ’ዩ ክብሉ ምኽትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ክልል ኦሮምያ ኮነሬል አበበ ገረሱ ገሊጾም። ኣብ ከባቢታት ዶብ ክልቲኡ ክልላት ዝፍጠሩ ጎንጽታት ነባሪ ፍታሕ ንምምጻእ ሓባራዊ ኮሚተ ምምስራቱ’ውን ወሲኾም ሓቢሮም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%B6%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%8A%A0-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8C%BA%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%90%E1%89%A3%E1%88%AA-%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%88%95-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8C%BB%E1%8A%A5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%89%B0%E1%89%A0%E1%8C%BA%E1%88%91\/4852108.html"} {"headline":"ሓደ ጉጅለ ወለንተኛታት መንእሰያት ንትርጉም ቋንቋ ትግርኛ ዘገልግል መርበብ ሓበሬታ የዳልው","content":"ኣብ ሃገረ ሆላንድ ዝርከብ ትራቨስ ፋውንዴሽን ዝተባህለ ብሕታዊ ንትርፊ ዘይሰርሕ ትካል ኣብ መርበብ ሓበሬታት ዓለም ትርጉም ቃላት ኾነ ምሉእ ሓሳባት ብቀሊሉ ክረኽቡ ንዘይክእሉ ቋንቋታት ናይ ትርጉም ኣገልግሎት ዝህብ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ምድላው ዝነጥፍ ትካል እዩ። እዚ ትካል ነዚ ናይ ትርጉም መርበብ ሓበሬታ ምድላው ብቋንቋ ትግርኛ ዝጀመረ ኽከውን ከሎ ካብ ካልኦት ኣቐዲሞም ዝተዳለው መርበብ ሓበሬታት ትርጉም ዝፈልዮ ቃላት ጥራይ ዘይኾነ ምሉእ ሓሳባት ንምትርጓም ዘኽእል ምዃኑን ቀጺሉ’ውን ብድምጺ (ዘረባ) ናይ ትርጉም ኣገልግሎት ዝህብ መርበብ ሓበሬታ ንምድላው መደብ ከምዘለዎ ይገልጽ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ነዚ መርበብ ሓበሬታ ንምድላው ዘድልይ ቃላትን ምሉእ ሓሳባትን ንምእካብ ሓደ ናይ ትርጉም ጸወታ ብምድላው ንኣገልግሎት ጀሚሩ’ሎ። ብዛዕባ’ዚ ኣብ መጀመርያ ‘ዚ ወርሒ መጋቢት ዝጀመረ ‘ዘ ሴንቴንስ ሶሳይቲ’ (The Sentence Society) ማለት ማሕበረሰብ ምሉእ ሓሳባት ብዝብል መጸውዒ ዝጀመረ ጸወታን ዝዳለው ንዘሎ መርበብ ሓበሬታ ትርጉም ዝምልከት ምስ ክልተ አባላት’ቲ ጉጅለ ቃለ መጠይቕ ኣካይድና አለና። ንአካያዲ ስራሕን ሓደ ካብ ተርጓምቲን ዝኾነ መንእሰይ ናሆም ብርሃነን ንዳይሬክተር’ቲ ትካል ኤሊሳ ግሎሪ’ያ። አባላት እታ ጉጅለ ብዘይ ተሳትፎ እቲ ትግርኛ ዝዛረብ ማሕበረስብ እቲ ክበጽሕዎ ዝመደቡ ከምዘይከአል ብምሕባር ኩሉ ግዱስ ተዛራቢ ቋንቋ ትግርኛ ኣብቲ ዝካየድ ንጥፈታት ክሳተፍ ይዕድሙ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%89%B5%E1%88%AD%E1%8C%89%E1%88%9D-%E1%89%8B%E1%8A%95%E1%89%8B-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AD%E1%8A%9B-%E1%8B%98%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%89%A0%E1%89%A5-%E1%88%93%E1%89%A0%E1%88%AC%E1%89%B3-%E1%8B%A8%E1%8B%B3%E1%88%8D%E1%8B%8D\/4850915.html"} {"headline":"ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ብቅኑዕ ክጉዓዝ ደገፍ የድልይ ክብሉ ተጸዋዒ ሕ\/ሃ ኣብ ኢትዮጵያ ጸዊዖም","content":"ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብቅኑዕ መንገዲ ይጉዓዝ ዘሎ ዕውት ንኽከውን ኸአ ደገፍ የድልይ ክብሉ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ተጸዋዒ ኤነስ ቹማ ተዛሪቦም። እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ዝወስድዎ ዘለው ናይ መመሓየሺ ስጉምቲታት ቀሊል ኣይኮነን ዘጋጥሙ ዘለው ፈተናታት’ውን ክረኣዮ ዘለዎም’ውን በዚ መንጽር’ዩ ኢሎም። ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ተጸዋዒ ኤነስ ቹማ ኣብ ኢትዮጵያ ቀንዲ ወኪል ናይ ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም ልምዓት ከምኡ’ውን ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ኣተሓባባሪ’ዮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%89%A5%E1%89%85%E1%8A%91%E1%8B%95-%E1%8A%AD%E1%8C%89%E1%8B%93%E1%8B%9D-%E1%8B%B0%E1%8C%88%E1%8D%8D-%E1%8B%A8%E1%8B%B5%E1%88%8D%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%89%B0%E1%8C%B8%E1%8B%8B%E1%8B%92-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%96%E1%88%9D\/4850861.html"} {"headline":"ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ራብዓይ ዙር ሃገራዊ ቆፀራ ህዝብን ኣባይትን ክናዋሕ ዝቐረበ ሓሳብ ይቓወም","content":"ራብዓይ ዙር ሃገራዊ ቆፀራ ህዝብን ኣባይትን ክናዋሕ ዝቐረበ ሓሳብ ግቡእ ኣይኮነን ክብል ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣፍሊጡ። ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማ፣ ንግድን ኢንዳስትሪን ዶክተር ኣብርሃም ተኸስተ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ተኣማንነት መንግስቲ ዝሽርሽር ብተወሳኺ ድማ ንሕገ መንግስቲ ዝፃረር ብምዃኑ ትኽክል ኣይኮነን ክብሉ ተዛሪቦም። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፌደራል ኮሚሽን ቆፀራ ህዝብን ኣባይትን ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ መነባብርኦም ናይ ምምላስ ስራሓት ብምሉእነት ኣይተፈፀመን ብምባል እቲ ስራሕ ቖፀራ ክናዋሕ ሓሳብ ምቕራቡ ይዝከር። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%84%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%AB%E1%89%A5%E1%8B%93%E1%8B%AD-%E1%8B%99%E1%88%AD-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%89%86%E1%8D%80%E1%88%AB-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%8A%93%E1%8B%8B%E1%88%95-%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%88%A8%E1%89%A0-%E1%88%93%E1%88%B3%E1%89%A5-%E1%8B%AD%E1%89%93%E1%8B%88%E1%88%9D\/4850568.html"} {"headline":"ኣብ ነፋሪት ክትገላገል ዝጀመረት ኢትዮጵያዊት ኣደ ዝጸዓነት ነፋሪት ኣብ ኣስመራ ብህጹጽ ዓሊባ","content":"ካብ ከተማ ጂዳ ናብ ኣዲስ ኣበባ ትጓዓዝ ኣብ ዝነበረት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ስዑድያ ተሳፊራ ዝነበረት ኢትዮጵያዊት ኣደ፡ ቀዳም 23 መጋቢት ለይቲ ሃንደበት ሕማም ሕርሲ ተተሒዛ መናቱ ደቂ ኣንስትዮ ዕሸላት ብምግልጋላ እታ ነፋሪት 1:15 ወጋሕታ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፋሪት ኣስመራ ብህጹጽ ከምትዓልብ ተጌሩ። No media source currently available መራሒ ናይታ ነፋሪት ኣቐዲሙ ምስ ምምሕዳር መዓርፎ ነፋሪት ኣስመራ ብዝገበሮ ናይ ሬድዮ ርክብ ዝዓለበት ነፋሪት ብኤርትራውያን ሓካይም ድሕሪ ዝተገብረላ ናይ ህጹጽ ረድኤት ሓገዝ ቡኡ ንብኡ ናብ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ ብኣንቡላንስ ከምዝተወሰደት ተፈሊጡ’ሎ። እታ ወ\/ሮ ጀነቲ ሑሴን መሓመድ ዝተባህለት ኣደን መናቱ ዕሸላታን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ክምዘለዉ ተፈሊጡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%B0-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%90%E1%8D%8B%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%93%E1%89%B1-%E1%8B%95%E1%88%B8%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8B%E1%8C%8A%E1%88%8B\/4850504.html"} {"headline":"“ኩሎም ኢትዮጵያውያን ዝኾርዑላ፡ ዝሰርሑላን ዘይሸማቐቁላን ኢትዮጵያ ንምፍጣር ኢዲፒ ክሰርሕ’ዩ”ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ዝኾርዑላ፡ ዝሰርሑላን ዘይሸማቐቁላን ኢትዮጵያ ንምፍጣር፡ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ኦሮሞ(ኦዲፒ) ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ክሰርሕ’ዩ ኢሉ። ኣቦ-መንበር ኢህወድግን ኦዲፒን ቀ\/ሚ ኢትዮጵያን ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ብምኽንያት መበል 29 ዓመት ምስረታ’ቲ ውድብ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ`ዩ ከምኡ ኢሉ። ኣብቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ዝተኻየደ በዓል ምስረታ ፓርቲ ኢዲፒ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝመሓላለፎ መልእኽቶ “ዝኾነ ብሄር’ውን እንተኾነ ቁጽሩ ይውሓድ ይብዛሕ ዝኾነ ይኹን ኢትዮጵያዊ ዝኾርዓላ ዝሰርሓላ ዘይሸማቐቀላ ኢትዮጵያ ንምፍጣር ኢዲፒ ሎሚ ከም ትማሎ ብኣጽዕኖት ከዝሰርሕን ነዚ’ውን ዘየዳግም መርገጺ ከምዘለዎ በዚ አጋጣሚ ክገልጽ እደልይ” ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A9%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%8A%BE%E1%88%AD%E1%8B%91%E1%88%8B-%E1%8B%9D%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%88%91%E1%88%8B%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%B8%E1%88%9B%E1%89%90%E1%89%81%E1%88%8B%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%8C%A3%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%8B%B2%E1%8D%92-%E1%8A%AD%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%8B%A9-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5\/4849116.html"} {"headline":"ዘተ፡ሓደ ዓመት ናይ ስልጣን ዘመን ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ (1ይ ኽፋል)","content":"ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ስልጣን ካብ ዝሕዙ ሓደ ዓመት የቑጽሩ ኣብ ዘለው'ሉ ሕጂ እዋን ኣብዚ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ኣብ ትሕቲ መሪሕነቶም ዝተመዝገቡ ውፂኢታትን ጉድለታትን ብዝምልከት ንፖለቲካ እታ ሃገር ብቐረባ ዝከታተሉ ክልተ ኣጋይሽ ኣዘራሪብና ኣለና። ኣጋይሽና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደብሩ በዓል ስልጣን ኢንስትዩት ምርምር ልምዓት ኢትዮጵያ ክኢላ ስነ ቁጠባ ናይ ዶክትሬት ትምህርታ ኣብ ምክትታል ትርከብን ወ\/ሮ ሓንሳ ተኽላይን ደራስን ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራውን ፖለቲካውን ጉዳያት ዝሳተፍ ደስታ ገብረሃዋርያ\/ባሻ ደስታን\/ እዮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/prime-minister-abiy-ahmed-oen-year-in-office-part-one\/4849031.html"} {"headline":"ጸብጻብ ምርመራ ዝወደቐት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክሳብ ዝመጽእ ሰሙን ወግዓዊ ከምዝኸውን ተገሊጹ","content":"አካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም ትማሊ ሶኑይ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ቀዳማይ ጸብጻብ ምርመራ መጋቢት 10 ዝወደቐት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክሳብ ዝመጽእ ሰሙን ወግዓዊ ከምዝኸውን ገሊጾም። “ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ፈላማይ ጸብጻብ ምርመራ ወግዓዊ ክኸውን’ዩ። እዚ ማለት ኣብዚ ሰሙን ወይ ዝመጽእ ሰሙን ማለት’ዩ።” ኣቶ ተወልደ ብተወሳኺ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብቲ ቀንዲ ትኹረት ምርመራ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ወርሒ ዝወደቓ ክልተ ቦይንግ 737 ማክስ 8 ዝዓይነተን ነፈርቲ ኢንዶኖዥያን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ኣብ ኣሜሪካ ዝኻየድ ኣኼባ ንምስታፍ ኾነ ንዘይምስታፍ ገና ከምዘይወሰነ ሓቢሮም ኣለው። No media source currently available “እቲ ብስቲሙሌተር ዝፍለጥ ሚዛን ነፋሪት ዝሕልው አካል ኣብ ማክስ ዝዓይነተን ነፈርቲ ኾነ ካልኦት ሓደ ዓይነት’ዩ። ስለዚ ፍልልይ ዝፈጥር ኣይኮነ።” ድሕሪ ምውዳቕ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቦይንግ 737 ማክስ 8 ዝዓይነተን ነፈርቲ ኣብ መላእ ዓለም ካብ በረራ ደው ከምዝበላ ይፈልጥ። ብዛዕባ’ዚ ኣቶ ተወልደ “ ቦይንግ 737 ማክስ 8 ዝዓይነተን ነፈርቲ ካብ በረራ ደው ክብላ ምውሳና ቅኑዕ ውሳነ’ዩ። ቅኑዕ ውሳነ ብምኻኑ ድማ ኩሉ ዓለም ስዒብ’ዎ እዩ ምክንያቱ ህይወት ሓደ ሰብ እውን ኣብ ሓደጋ ክኣትው ኣይንደልይን”ኢሎም። ንሶም ኣብ መወዳእቲ እዚ ፍሉይ አጋጣሚ ምኳኑ ብምሕባር ኣብ ታሪኽ ኣቭየሽን ነፈርቲ ካብ በረራ ደው ኢለን ምርመራ ዝተኻየደሉ ካልኣይ ፍጻመ’ዩ ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%A8%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/4848744.html"} {"headline":"ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት) ተፀዋዕነቱ ንቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ክኸወን ተወሲኑ","content":"ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ወይዘሮ ልያ ካሳ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ ትእምት ተፀዋዕነቱ ናብቲ ቤት ምኽሪ ክኸውን ከምዝተወሰነ ተዛሪበን። መተሓዳዳሪ ደንቢ ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት) ንብረትነት እቲ ትካል ናይ ህዝቢ ትግራይ ብምዃኑ መሰረት ቦርድን ቤት ምኽሪን እቲ ትካል ብዘመሓላለፎ ውሳኔ መሰረት ተፀዋዕነት እቲ ትካል ንቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ክኸውን ሎማዓንቲ ውሳነ ተመሓላሊፉ። ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን እቲ ክልል ትግራይ ወይዘሮ ልያ ካሳ ቤት ምኽሪ ትግራይ ዘካየዶ ጉባኤ ጠሚቱ ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ ትእምት ተፀዋዕነቱ ንቤት ምኽሪ ትግራይ ክኸውን ወሲኑ ኢለን። ቅድሚ ሐዚ ህዝቢ ብፍላይ መናእሰይን ሙሁራንን እቲ ትካል ብመሰረት መተሓዳደሪ ደንቡ ተፀዋዕነቱ ንህዝቢ ክኸውን ክሓተቱ ፀኒሖም እዮም ድሕሪ ምባል ብመሰረት እዚ ተፀዋዕነት ትእምት ኣብቲ ክልል ላዕለዋይ ስልጣን ህዝቢ ንዝኾነ ቤት ምኽሪ ክኸውን ተወሲኑ ኢለን። ወይዘሮ ልያ ኣብ ቤት ምኽሪ ትእምት ኣባለት ዝኾኑ ድማ ኣፈ ጉባኤታት ኣብያተ ምኽሪ ወረዳታት፣ መቐለን ክፍላተ ከተማ ክኾኑ ከምዝተወሰነን ካልኦት እውን ኣባላት እቲ ቤትምኽሪ ክኾኑ ተወሲኑ ኢለን። No media source currently available ቅድሚ ሐዚ ትእምት ተፀዋዕነቱ ንቦርድን ቤትምኽሪን እቲ ትካል ዝነበረ ኮይኑበዚ ድማ ኣሰራርሕኡ ግልፂ ኣይኮነን ብዝብል ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሕቶ ይለዓል ነይሩ እዩ። ትእምት ካብ ዝምስረት 24 ዓመታት ዘቑፀረ ትካል እዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%8A%A5%E1%8C%8D%E1%88%AA-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-(%E1%89%B5%E1%8A%A5%E1%88%9D%E1%89%B5)-%E1%89%B0%E1%8D%80%E1%8B%8B%E1%8B%95%E1%8A%90%E1%89%B1-%E1%8A%95%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%8A%B8%E1%8B%88%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B2%E1%8A%91\/4847417.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ኣብ`ዚ ወርሒ መጋቢት ሓደ ዓመት ክመልኦ`ዩ","content":"ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ከምዛ ወርሒ`ዚኣ ዝሓለፈ መጋቢት 24, 2010 ዓ.ም.ኢ መራሒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮይኑ ቃለ-ማሕላ ፈጺሙ። ድሕሪ ለውጢ ኣብ ተግባር ከውዕሎም ቃል-ዝኣተወሎም ነገራት መብዛሕቲኦም ኣብ ግብሪ ይውዕሉ`ለዉ ይብል ኣብ ዩኒቨርሲትይ ኣዲስ ኣበባ መምህር ኮሚኒኬሽ ዶር ጌታቸው ድንቁ። ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውነትን ዘማእከለ ግኑን መደረ ቀ\/ሚ ኣቢይ፡ ሎሚ`ውን ኣይተቐየረን ይብል እቲ ምሁር። ዶ\/ር ኣቢይ ኣብ`ቲ ቀዳማይ ጽንብሉ ከምዚ ኢሉ ኔሩ፡-“ ናይ ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ስጋን ደምን ኣብ ዝኾነ ክፋል ኢትዮጵያ ሓመድ ኮይኑ ኢኹም ትረኽብዎ። ኢትዮጵያውያን፡ ብህይወት ከለና ኢትዮጵያዊ፡ ምስ ሞትና ድማ ኢትዮጵያ ኢና ንኸውን” ካልእ ፖለቲከኛ ምሁር ኣቶ ኣበባው ኣያሌው ብወገኑ፡ ሎሚ ዘላ ኢትዮጵያ እታ ማእሰርትን መግሃስትን ዝነበራ ኢትዮጵያ ኣይኮነትን፡ ኢትዮጵያ ኣብ`ዚ ሓደ ዓመት ናይ ኣቢይ እዋን ጽቡቕ ስጉምቲ ኣርእያ`ላ ይብል። “ጋጤጠኛ ኣይእሰርን፡ ሓሳብካ ገሊጽካ ተባሂሉ ኣይዕፈንን፡ ሰልፊ ወጺኻ ተባሂሉ ኣይህደንን።” ምሉእ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A2%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%95%E1%8B%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9A-%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%88%92-%E1%88%98%E1%8C%8B%E1%89%A2%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%A6-%E1%8B%A9\/4843384.html"} {"headline":"ምሁራን ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ዘሎ ለውጢ ንምዕዋት ተርኦም ከበርክቱ ፕረዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ፀዊዐን","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ስልጣን ዝሓዝሉ ቀዳማይ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ሸራተን ሆቴል መድረኽ ዘተ ጀሚሩ ሎ።ኣብቲ መድረኽ ፅሑፍ ዘቕረቡ እዚ መድረኽ ንርእሱ ኣብዝሓለፈ ዓመት ዝክኣል ኣይነበረን ኢሎም። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ንኢትዮጵያ ምምራሕ ካብዝጅምሩ ሓደ ዓመት ኣብ ዘቑጽረሉ ሕጂ እዋን:ቤት ፅሕፈቶም ኣብ ሸራተን ኣዲስ ሎሚ ዓርቢ ንዝጀመሮ ናይ ፓናል ምይይጥ ብመደረ ዝኸፈታ ናይ ኢትዮጵያ ፕረዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ብፍላይ ንምሁራን ኣበርኽቶ ክገብሩ ፀዊዐም።እታ ሃገር እትጉዓዘሉ መንገዲ ክሕብሩን ልዕልነት ሓሳብ ክረጋግገጽ ክሰርሑ ኣለዎም ድሕሪ ምባል ናይ ሓይሊ ዘመን ንከብቅዕ ኣለዎ ኢለን። “ሳልሳይ ናይ ምዝርራብ ባህሊ ምልምማድ።ብምክርኻር፣ብምምይያጥ፣ብምዝታይን፣መርትዖን መረዳእታን ብምቕራብ ንነገራት ብምኽንያትን ብምትንታን፣ዝእመንን ዘኣምንን ማሕበረሰብ ክንፈጥር ኣለና።ካብ ናይ ኣደባባይ ናዕቢ ናይ ሓሳብ መድረኽ ዝመርፅ፣ካብ ሓሜት ግልፅነት፣ካብ ሸርሒ ፊት ንፊት ምግጣም ዝመርፅ ማሕበረሰብ ከነዕንብብ ይግባእ።” ፕረዚዳንት ሳህለወርቅ ብምቕፃል ነቐፌታ ናይ ምቕራብ ጥበብ ክልመድን መንግስቲ ይኹን ፖለቲካዊ ፓርቲታት ከምኡ እውን ልሂቃን፣ማሕበረሰባትን ትካላትን ንዝፍፅሙዎም ጌጋታት ከርኢ ዝኽእል ባህሊ ክለማመዱ ክንገብር ኣለና ኢለን። ኣብቲ መድረኽ ፅሑፍ ዘቕረቡ ተመራማሪን መምህርን ፖለቲካዊ ሳይንስ ዶ\/ር ሰሚር ዮሱፍ ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ዝነበረ ውልቀመላኺ መንግስቲ ውርሽኡ ንርእሱ ሽግር ይፈጥር ኣሎ ኢሎም። “ሃገራት ናይ ዝሓለፈ ታሪኸን ኣጥፊአን ኣይኮነን ዝሰጋገራ።እቲ ዝነበረ ታሪኸን ንዝተወሰነ እዋን ሓቢሩወን ይጉዓዝ እዩ።ኣብዚ ሕጂ እዋን ንሪኦም ዘለና ናይ ብሄር ግጭታት፣ናይ ፓርትን መንግስትን ምትሕውዋስን ካልኦት ዝተፈላለዩ ብድሆታትን ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት ዝነበሩ ብፍላይ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ዝሓለፉ 27 ዓመታት ዘሕለፍናዮ ናይ ውልቀመላኺ ስርዓት ፅላሎቱ እዮም።” ን27 ዓመታት ዝፀንሐ ውልቀመላኺ መንግስቲ ብተግባር ዘየለ ዴሞክራሲ ዝስበኽ፣መሰል ብሄርን ብሄረሰብን ብሰፊሑ ዝዛረብ ብተግባር ግን ኣዚዩ ምእኹል ዝኾነ፣ብዘረባ ዕብየት፣ለውጥን ልምዓትን ዝሰብኽ ብተግባር ግን ናይ ሃፍቲ ክፍፍል ዝለዓለ ኣፈላላይ ዘስዓበ ነንባዕሎም ብዝራፀሙ ነገራት ዝተመልአ ስራዓት ብምንባሩ ብቅሬታት ዝተመልአ ነይሩ ኢሎም ዶ\/ር ሰሚር።እዚ እዩ ድማ ናብ ለውጢ ዘምርሐ ኢሎም። ኣብቲ ናይ ሎሚ መድረኽ ካብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ክሳብ ፍሉጣት ምሁራን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ዝተሳተፍሉ ከምዝነበሩ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ አዲስ አበባ ፀብፂቡ’ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%88%81%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%88%88%E1%8B%8D%E1%8C%A2-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%8B%8B%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%88%AD%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%8A%AD%E1%89%B1-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B3%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%88%B3%E1%88%85%E1%88%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%85-%E1%8B%98%E1%8B%8D%E1%8B%B4-%E1%8D%80%E1%8B%8A%E1%8B%90%E1%8A%95\/4843377.html"} {"headline":"ፕረ.ትራምፕ ጎቦታት ጎላን ሉኣላዊ ግዝኣት እስራኤል ከምዝኾኑ ኣፍልጦ ሂቦም","content":"ፕረዚደንት ትራምፕ እስራኤል ኣብ 1967 ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሽዱሽተ መዓልታት ኲናት ካብ ሶሪያ ብሓይሊ ንዝሓዘቶ ጎቦታት ጎላ ከም ናይ እስራኤል ልኡላዊ ግዝኣት ኣፍልጦ ሂቦም። እዚ ዝተገልፀ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፓምፒዮን ቀዳማይ ሚንስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁንን ብሓባር ትማሊ ሓሙስ ኣብ እየሩሳሌም ንዝርከብ ምዕራባዊ መንድቕ ድሕሪ ምዕዛቦም እዩ ። ላዕለዎት መራሕቲ ኣሜሪካ ታሪኻዊ ምዕራፍ እዩ ክብሉ ፀዊዖምዎ ኣለው። ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፓምፒዮን ኣብ ምዕራባዊ መንድቕ ዝበፅሑ ፈላማይ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣሜሪካ እዮም። ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣሜሪካ ንዓሰተታት ዓመታት ኣብቲ ቦታ ካብ ምብፃሕ ኣንሳሒቦም ፀኒሖም። ነዚ ስዒቡ ፕረዚደንት ትራምፕ ብቲውተር ኣብ ዝለኣኹዎ ፅሑፍ ድሕሪ 52 ዓመታት ኣሜሪካ ኣሰሓሓቢ ጎቦታት ጎላን ከም ናይ እስራኤል ልኡላዊ ቦታ ኣፍልጦም ምሃባ እዋኑ እዩ ኢሎም። እስራኤል ነቲ በሪኽ ቦታ ዝተቖፃፀረቶ ኣብ 1976 ዝተኻየደ ናይ ሽዱሽተ መዓልታት ኲናት እዩ።ሶሪያ ምስ እስራኤል ብዛዕባ ስምምዕ ሰላም ክትዘራረብ እቲ ቦታ ክምለሰላ ትሓትት።ቀዳማይ ሚንስትር ቤንጃሚን ኔታንያሁን ንፕረዚደንት ትራምፕ ስልኪ ደዊሎም ከምዘመስገኑዎም ገሊፆም። ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፓምፒዮን ሃገሮም ኣብ ጎኒ እስራ ኤል ከምዘላ ገሊጾም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%88%9D%E1%8D%95-%E1%8C%8E%E1%89%A6%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8C%8E%E1%88%8B%E1%8A%95-%E1%88%89%E1%8A%A3%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%8C%8D%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A5%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%8A%A4%E1%88%8D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%BE%E1%8A%91-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8D%E1%8C%A6-%E1%88%82%E1%89%A6%E1%88%9D\/4843318.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ዝርአ ገበን ክትራን ዝበዝሕ ዘሎ ብሰንኪ ምትእትታው አካላት ጸጥታ'ዩ ክብሉ ነበርቲ ገሊጾም","content":"ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ፀገም ፀጥታ ዝኾነ ክትራን ዝገደደ ይገብሮ ዘሎ ኢድ ኣካላት ፀጥታ ስለዘለዎ ኢዩ ክብሉ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ እታ ከተማ ሓቢሮም። ምምሕዳር እታ ከተማ ብወገኑ ነቲ ፀገም ንምፍታሕ መፅናዕቲ ብምክያድ እቲ ፀገም ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ተሳተፍቲ ነይሮም ዝበሎም 22 ኣመራርሓን ኣባላት ፖሊስ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ይገልጽ። ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ዓዲ ግራት ነባሪ ዝኾነ መሓሪ ገብረዮውሃንስ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብታ ከተማ ናይ ክትራን ብፍላይ ፀልማት ጉልባብ ብምግባር ዝፍጸም ገበን ኣሎ ይብል። መሓሪ በዞም ኣካላት ጉዳኣት በፂሕዎ ገንዘቡን ንብረቱን እውን ከምተዘርፈ ይገልፅ። ሲሳይ ገብረሂወት ዝተባህለ ካልእ ነባሪ እታ ከተማ ከምዝዛረቦ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር በዞም ከተርቲ ንብረቱን ገንዘቡን ካብ ምውሳድ ብተወሳኺ ኣብ ሕቑኡ ብዝበፀሖ ጉድኣት ሐዚ እውን ይፅገም ምህላዉ ይዛረብ። እዚ ፀገም ክጋደድ ዝገበሮ ድማ ኢድ ኣካላት ፀጥታ ስለዘሎዎ እዩ ይብል። ሲሳይ ብተወሳኺ ብምኽንያት ፀገም ፀጥታ ኣብታ ከተማ ህይወት ሰብ ከምዝሓለፈ ሓበሬታ ኣለኒ ኢሉ ። ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ወድብ ዓረና ትግራይ ኣይተ ዓምዶም ገብረስላሴ ኣብዚ ጉዳይ ጠሚቱ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ \"መበገሲ እቲ ፀገም እቶም መናእሰይ ስራሕ ስለ ዝሰኣኑ እዩ\" ኢሎም። እቲ ፀገም ኣብ ዓዲ ግራት ከተማ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ካልኦት ከተማታት ትግራይ እውን ብዝተጋደደ መልክዑ ምህላዉ ተዛሪቦም። ከንቲባ ከተማ ዓዲ ግራት ኣይተ ገብረመድህን ስዩም ብወገኖም እቲ ፀገም ኣብቲ ከተማ ምህላዉ ተዛሪቦም። እቲ ፀገም ፀጥታ በነባሪነት ንምፍታሕ መፅናዕቲ ብምክያድ ኣብዚ ጉዳይ ብቐጥታ ይኹን ተዘዋዋሪም ኢድ ዝነበሮም 22 ኣመራርሓን ኣባላትን ፖሊስ ምምሕዳራውን ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝተወሰዶም ሓቢሮም። ብተወሳኺ ኣብቲ ክትራን ዝተሳተፉ ብሕጊ ክሕተቱን ህዝቢ ድማ ክፈልጦም ይግበር አሎ ዝበሉ እቶም ከንቲባ ምስዚ ጉዳዩ ርክብ ዘለወን ተሽከርከርቲ እውን ተታሒዘን ኢሎም። ኣብዚ ዓመት ብገበን ክትራን ህይወት ሰብ ሓሊፋ ዝብል ትኽክል ኣይኮነን ዝበሉ ኣይተ ገብረመድህን ቅድሚ 2 ዓመት ግና ህይወት ሰብ ሓሊፉ ነይሩ ኢሎም። መብዛሕቲኦም ኣብቲ ክትራን ዝተሳተፉ ስራሕ ዘይብሎም መናእሰይ ዋላ ተኾኑ መበገሲ እቲ ፀገም ግና ስእነት ስራሕ እዩ ኢሎም ከምዘይኣምኑ ዝተዛረቡ ኣይተ ገብረመድህን እቲ ቀንዲ ፀገም ዘሎ ኣብ ኣተሓሳስባ እዩ ኢሎም። ብመዳይ ምፍጣር ዕድል ስራሕ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣብታ ከተማ ዘሎ ኣማራፂ ስራሕ መፅናዕቲ ኣካይዱ ምቹእ ኩነታት ምህላዉ ንምፍጣር ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8B%93%E1%8B%B2-%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A0-%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%8B%9D%E1%88%95-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8A%A5%E1%89%B5%E1%89%B3%E1%8B%8D-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%8B%A9-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/4843141.html"} {"headline":"ፖሊስ ክልል ኦሮምያ ሓሙሽተ ሰባት ብተረፍ አባላት ሸኔ ኦነግ ምቕታሎም ሓቢሩ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ነጆ ትማሊ ሓሙስ ሓሙሽተ ሰባት ብተረፍ አባላት ሸኔ ኦነግ ተቐቲሎም ክብል ኮሚሽን ፖሊስ ኦሮሚያ ኣፍሊጡ። ካብ መንጎ እቶም ዝተቐትሉ ክልተ ዜጋታት ወፃኢ ምዃኖም ይፍለጥ።ኦነግ ብወገኑ ኣባገዳታትን ሽማግልታት ዓበይቲ ዓድን ናይ ዕርቂ ሓላፍነት ካብ ዝውስዱ ንነጀው ምስ ሰራዊቱ ዝነበሮ ርክብ ከምዝተቋረፀ ገሊፁ ነቲ ተግባር ዝፈፀመ አካል ኮኒኑ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%88%93%E1%88%99%E1%88%BD%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%89%B0%E1%88%A8%E1%8D%8D-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%B8%E1%8A%94-%E1%8A%A6%E1%8A%90%E1%8C%8D-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%B3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/4841570.html"} {"headline":"ብሕቶ መስርሒ-ገዛ መሬት ንክልተ መዓልታት ስራሕ ደው ዘበሉ መማህራን መቐለ ናብ ስርሖም ተመሊሶም","content":"ኣብ መቐለ፡ መስርሒ ገዛ መሬት ሓቲትና ንሰለስተ ዓመት ምላሽ ስኢና ዝበሉ መማህራን ናይ ክልተ መዓልታት ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ጌሮም። እቶም መማህራን ምስ ርእሰ-ምምሕዳር ክልል ክንራኽበ ደሊና ክሳብ ሎሚ ክንረኽቦም ኣይክኣልናን ክብሉ የማርሩ። ወሃቢ ቃል ምምሕዳር-ክልል ብወገኑ፡ ኣብ`ዚ ዓመት`ዚ ንመማህራን ዝተታሕዘ መሬት የለን ይብል። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%95%E1%89%B6-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%92-%E1%8C%88%E1%8B%9B-%E1%88%98%E1%88%AC%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%8B%98%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%88%98%E1%88%9B%E1%88%85%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%96%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%8A%E1%88%B6%E1%88%9D\/4841382.html"} {"headline":"አባገዳን ናይ ቴክኒክ ኮሚቴን ናብ መሰልጠኒ ማእከል ዝኣተው አባላት ኦነግ ተዘራሪቦም","content":"ኣባ ገዳን ናይ ቴክኒክ ኮሚቴን ንስልጠና ናብ ማእኸል መሰልጠኒ ጦላይ ምስ ዝኣተው ዕጡቓት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ\/ኦነግ\/ ምዝርራቦም ተፈሊጡ። እቲ ናይ ቴክኒክ ኮሚቴ ንዝቐረቡ ሕቶታት ብምምላስ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ዝኾኑ ንላዕለዎት ሰበስልጣን ንምቕራብ ምስምምዖም ገሊፆም። ናብ ማእኸል መሰልጠኒ ጦላይ ዝኣተው ዕጡቓት ኦነግ ዝተኣተውሎም ኩሎም መፅብዓታት ከምዘይተፈፀሙ ይገልፁ።ሰንጢ ብዝምል ሳጓ ዝፅዋዕ ኣባል ኦነግ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ኣባላት ኮሚቴ ቴክኒክ ምዝርራቡ ይገልፅ። “ንኣስታት ሰለስተ ሰሙናት ኢና ፀኒሕና።ስልጠና እውን ኣይጀመርናን።ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣባ ገዳታትን ናይ ቴክኒክ ኮሚቴን መፂኦም ናብ ውሽጢ ብዘይ ምእታዎምን ሓዊስካ ቅር ኢሉና እዩ።” ኣብቲ ዝርርብ ዝተልዓሉ ነጥብታት ድሕሪ ስልጠና መፃኢ ዕጫ ዕጡቓት ኦነግ እንታይ እዩ? ሕጂ እውን ሰባት ብሽም ኦነግ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ይእሰሩ ኣለው ዝብሉን ካልኦት ምዃኖም ሰንጢ ገሊፁ። ዝተልዓሉ መብዛሕቲኦም ሕቶታት ንመንግስቲ ዝምልከቱ ብምዃኖም ንላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ሕቶታት ሒዞም ምምላሶም ኣባል ኮሚቴ ቴክኒክ ዝኾኑ ኣቶ ሞገስ ኢዳኤ ገሊፆም።እቲ ናይ ቴኪኒክ ኮሚቴ ንዝተልዓሉ ሕቶታት መልሲ ምሃቡ እውን ገሊፆም። “ኣብ ፖሊስታትን ስትራተጂታትን መንግስቲ እዮም ስልጠና ዝውሃቦም ዘሎ።እቲ ስልጠና ዝወስዶ ግዜ ብዝቐርብ ዓይነት ስልጠናን ናይ ሰልጠንቲ ናይ ምቕባል ዓቕሚን ከምዝውሰን ኢና ገሊፅናሎም።ብዛዕባ ኩነታት እቲ ክልል፣ልዕልነት ሕጊን ብዛዕባ መፃኢ ዕድል ስራሕን ኣልዕሊሎም ድሕሪ እቲ ስልጠና መንግስቲ ብትልሚ ሕቶታቶም ከምዝምለሰሎምን ኢና ሓበሬታ ሂብናዮም።” ኣብቲ ኮሚቴ ኣባል ኦነግ ዝኾኑ ኣቶ ኬነሳ ኣያና ኦነግ ነቶም ዕጡቓት ብመልክዕ ሕድሪ ንህዝቢ ኦሮሞን ኣባ ገዳን ካብ ዘረከበሉ ዕለት ጀሚሩ ዘለዎም ሕቶ ብኣባ ገዳ ኣቢሎም እምበር ብቐጥታ ከቕርቡ ኣይክእሉም’ዮም ኢሎም ። ዕጡቓት ኦነግ ምስቲ ኮሚቴ ድሕሪ ምዝርራቦም ዝሓለፈ ሶኑይ ስልጠና ምጅማሮም ናይቶም ዕጡቓት ኣባል ሰንጢ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፁ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%8C%88%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%B4%E1%8A%AD%E1%8A%92%E1%8A%AD-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B4%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8C%A0%E1%8A%92-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%8B%8D-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A6%E1%8A%90%E1%8C%8D-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D-\/4839894.html"} {"headline":"ካብ መጥቓዕቲ ተኹሲ ኒውዝላንድ ዝተረፉ ኢትዮጵያዊ ብዛዕባ’ቲ ፍጻመ ይዛረቡ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ እዋን ጸሎት ዓርቢ ኣብ ክልተ መሳጊድ ኒውዝላንድ ከተማ ክራይስትቸርች ኣብ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ተኹሲ ካብ መንጎ ዝቖሰሉ ኢትዮጵያዊያን ከምዝርከብዎም ተገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ኒውዝላንድ ከተማ ክራይስት ቸርች ሓደ ዕጡቕ ኣብ ልዕሊ ክልተ መሳጊድ ኣብ ልዕሊ ኣምነቲ ተኹሲ ከፊቱ 50 ሰባት ቀቲሉ ካልኦት 30 ሰባት ቆሲሎም። ኣብቲ እዋን’ቲ መጥቓዕቲ ኣብቲ መስጊድ ካብ ዝነበሩ ብህይወት ካብ ዝተረፉ ኢትዮጵያዊ ኣቶ ዓብደልቃድር አባገሮ ሓደ’ዩ። ንሶም ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ንድምጺ ኣሜሪካ ቋንቋ ኣፋን ኦሮሞ ዝሃብዎ ቃል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%8A%B9%E1%88%B2-%E1%8A%92%E1%8B%8D%E1%8B%9D%E1%88%8B%E1%8A%95%E1%8B%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%A8%E1%8D%89-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%89%A5%E1%8B%9B%E1%8B%95%E1%89%A3-%E1%89%B2-%E1%8D%8D%E1%8C%BB%E1%88%98-%E1%8B%AD%E1%8B%9B%E1%88%A8%E1%89%A1\/4838219.html"} {"headline":"ዘይሕጋዊ ስደት ዜጋታት ደው ንምባል ዝዓለመ መድረኽ ምኽክር ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ","content":"ንሕርሻዊ ስራሕቲ ብምባል ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዶብ ዝሰግሩ ዜጋታት ብሕጋዊ መስርሕ ንምእታው ዝዓለመ ብምትሕብባር ዩኒቨርስቲ መቐለን ዩኒቨርስቲ ገዳሪፍ ሱዳን ዝተዳለወ መድረኽ ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ። ኣብቲ ዝተኻየደ መድረኽ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሱዳን ዝሰግሩ ዜጋታት ኣካላውን ስነ ኣእምሮኣዊን ፀገም ከም ዘጋጥሞም ተሓቢሩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ካብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ብኣማኢት አሸሓት ዝቑፀሩ ዜጋታት ንሕርሻዊ ስራሕቲ ብዝብል ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ዶብ ኢትዮጵያ ተሳጊሮም ናብ ሱዳን ይኸዱ ኣለዉ። በዚ ድማ እዞም ዜጋታት ኣብ ኢድ ደላሎ ብምውዳቕ ምግልታዕ ይበፅሖም እዩ። ነዚ ንምትራፍ መንግስታት ክልትኤን ሃገራት ኣብዚ ጉዳይ ሕጊ ንምውፃእ ኣብ ዝገብርዎ ዘለው ፃዕሪ እታዎት ዝኸውን መድረኽ ምኽክር ብምትሕብባር ዩኒቨርስቲታት መቐለን ገዳሪፍን (ሱዳን) ኣብ ከተማ መቐለ ዋዕላ ተኻይዱ። ኣብ ኤጀንሲ ኢሚግሬሽንን ሓላፊ ኣተሓባበሪ ኬላታት ዶብ ኣይተ ግርማይ የማነ ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ምንቅስቃስ ዜጋታት ጉድኣት ይበፅሖም ኣሎ ኢሎም። ንሶም ብተወሳኺ እዚ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ምሁራን ዘካይድዎም መፅናዕትታት ንመንግስቲ ብምቕራብ ለውጢ ኣብ ምምፃእ ሓጋዚ እዩ ኢሎም። ኣብቲ ዘተ ተወከልቲ መንግስቲ ሱዳንን ምሁራንን ዝተሳተፉ ክኾኑ ከለው ካብ ኢትዮጵያ ድማ ተወከልቲ መንግስቲን ካብ ዩኒቨርስቲታት መቐለ፣ ባህር ዳርን ጎንደርን ዝመጹ ምሁራን’ውን ተሳተፍቲ ኔሮም። ኣብቲ መድረኽ ፅሑፍ ካብ ዘቕረቡ ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ስነ ህዝቢ ዩኒቨርስቲ መቐለ ዶክተር ክንፈ ኣብርሃ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ካብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 1.5 ሚሊዮን ዜጋታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ሃገር ምውፀኦም ተዛሪቦም ካብዚኦም እቶም ልዕሊ 30 ሚእታዊት ካብ ትግራይ ዝተሰደዱ ምኻኖም ዩኒቨርስቲኦም ዘካየዶ መፅናዕቲ ጠቒሶም ተዛሪቦም። በዚ ስደት ልዕሊ 1.1 ቢሊዮን ዶላር ዘይሕጋውያን ደላሎ ከምዝወሰዱ በቲ መፅናዕቲ ተረኺቡ ኢሎም። ናይ ጉልበት ስራሕ ንምስራሕ ብዝብል ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝሰግሩ ዜጋታት ብብዝሒ ኣለዉ ዝበሉ ዶክተር ክንፈ እዚ ዝኸውን ዘሎ ነዞም ዜጋታት ዘተኣናግድ ሕጊ ስለ ዘየሎ እዩ ኢሎም። ብተመሳሳሊ መድረኽ ኣብ ካርቱም፣ ገዳሪፍን ባህርዳርን ተኻይዱ ከምዝነበረ ተሓቢሩ። ምክትል ፕረዚደንት ዩኒቨርስቲ ገዳሪፍ ኢብራሂም ዓብደልሰላም ከምዚ ዓይነት መድረኽ ንክልቲኤን ሃገራት ዓብዪ ኣበርክቶ ኣለዎ ክብሉ ገሊፆም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%95%E1%8C%8B%E1%8B%8A-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%98-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%8A%BD-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%8A%AD%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/4838185.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ተመዛበልቲ ጌድኦ በጺሖም፡ መስርሕ ሓገዝ ዝተሰናኸለ ብሰንኪ ጸጥታ’ዩ እውን ኢሎም","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ዞባታት ምብራቕን ምዕራብን ጉጂ ተመዛቢሎም ኣብ ዞባ ጌዲኦ ከተማ ገደብ ንዝተዓቕቡ ተመዛበልቲ በጺሖም። ቀ\/ሚ ኣብይ መስርሕ ሓገዝ ዝተሰናኸለ ብሰንኪ ፀገም ፀጥታ ምዃኑ ገሊፆም።ተመዛበልቲ ብወገኖም ዘለዎም ቅሬታ ገሊፆም ኣለው። ኣብ ጌዲኦ ተመዛቢሎም ኣብ ከቢድ ፀገም ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተመዛበልቲ ንዝለዓለ ጥምየት ተቓሊዖም ኣለው።ኣደ 10 ቆልዑ ዝኾና ወ\/ሮ ውዴ ኣበራ ቆና ካብ ዝነብራሉ ዞባ ምብራቕ ጉጂ ወረዳ ቀርጫ ልዕሊ ክልተ ግዜ ከምዝተመዛበላ ይገልፃ።ኣብዚ ሕጂ እዋን ንዝለዓለ ጥምየት ከምዝተቓልዓ ይዛረባ። “ናብዚ ካብ እንመፅእ 10 ህፃናት ሞይቶም ኣለው።ሽዱሽተ ሰብኡትን ክልተ ደቂ ኣንስትዮን እውን ብጥምየት ሞይቶም።ንበልዖ ዋላ ሓደ ነገር የለን።ገንዘብ’ውን የብልናን።ዋላ ሓደ ሰብ ዝሓገዘና የለን።በዓልቤተይ ሞይቱ፤10 ቆልዑት ኣለውኒ።ካበይ ኣምፂኤ’ሞ ከብልዖም? ስጋይዶ ቆሪፀ ክህቦም ኮይነ?” ንሰን እቶም ህፃናት ነብሶም ወዲኦም ተጎዲኦም ይርከቡ ድሕሪ ምባል ይነብራሉ ዝነበራ ከባቢ ልሙዕ ምስ ምዃኑ ሰሪሐንን ተዓንጊለንን ይነብራ ከምዝነበራ ተዛሪበን። ካብ ዞባ ምብራቕ ጉጂ ወረዳ ቀርጫ ብተደጋጋሚ ከምዝተመዛበሉ ዝገለፁ ኣቶ ተስፋየ ታምሩ እውን ሰብኣዊ ሓገዝ ዝገበረሎም ዋላ ሓደ ወገን የለን፤መንግስቲ እውን ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ርእዩ ከምዘይርኣየ ኮይኑ’ሎ ኢሎም። “ኣጋጢሙና ዘሎ ፀገም ጥምየት እዩ።ንሰርሖ የለን፣ጠሚና።ዝሞተ ሰብ 100 ይኸውን።መደቀሲና እውን እዚ ትርኢዎ ዘለኹም እዩ።ጥር ትብል ሓገዝ እውን ኣይረኸብናን፤ዳኛ የብልናን።” ኣቶ ተስፋየ ወሲኾም ህፃናት ካብ ጥምየት ብተወሳኺ ብዝተፈላለዩ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ይጥቅዑ ከምዘለው ሓቢሮም። “ውግእ ኣመዛቢሉና’ሎ።ንበልዖ ኣይንረክብን ዘለና።ብሰንኪ እዚ ኣብፅንኩር ፀገም ኢና ንርከብ።” እቲ ፀገም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዞባ ጌድኦ ተዓቑቦም ዝርከቡ 178 ሽሕ ዜጋታት ተመሳሳሊ እዩ።ድምጺ ኣሜሪካ ኣብቲ ከባቢ ብኣካል ተረኺቡ ከምዘረጋገፆ ኣብ ቤት ክርስቲያን ጎቲ ቃለ ህይወት ጥራሕ ልዕሊ 12 ሽሕ ዜጋታት ተዓቑቦም ንሕሱም ጥምየት ተቓሊዖም ምህላዎም አረጋጊጹ’ሎ። ብሕፅረት መግቢ ኣዝዮም ዝተጠቕዑ ኣዒንቶም ክገልፁ ዘይኽእሉ ህፃናት፣ስኣን ዓቕሚ ካብዝደቀሳሉ ዘይንቀሳቐሳ ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋ።ህፃናት ይሞቱ ከምዘለው እውን እቶም ተመዛበልቲ ይዛረቡ። ሚንስትር ሰላም ኢትዮጵያ ወ\/ሮ ሙፈሪያት ካሚል ኣብ ዞባ ጊዲኦ ወረዳ ገደብ ኣዕቑቦም ንዝርከቡ ሰባት ከምዝበጽሓን ንተመዛበልቲ ሓገዝ ከምዝግበረሎምን ገሊፀን ኣለዋ።መንግስቲ ነባሪ ፍታሕ ንምምፃእ የካይዶ ዘሎ ፃዕሪ ኣሐይሉ ክቕፅለሉ እዩ ኢለን። ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዞባ ጌዲኦ ወረዳ ገደብ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዝርከብሉ ኩነታት ተዓዚቦም ኣለው። No media source currently available እዚ ናይ ትማሊ ሰንበት ምብፃሕ ህዝቢ ጌዲኦ ካብ ምብራቕን ምዕራብ ዞባታት ጉጂ ምምዝባል ካብ ዝጅመር ቅድሚ ሸሞንተ ኣዋርሕ ቀዳማይ ሚንስትር መፂኦም ዘይምርኣዮም ይልዓል ንዝነበረ ቅሬታ ዝምልስ ነይሩ ። ኣብ ወረዳ ገደብ ዝርከቡ ልዕሊ 96 ሽሕ ተመዛበልቲ ወኪሎም ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ተራኺቦም ፣ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዘለዎም ቅሬታ ገሊፆም። ኣብዚ ኣዚዩ ፀገም ከምዘለኹም መንግስቲ ፈሊጡ’ሎ ዝበሉ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ግዚያዊ ሓገዝ ብተወሳኺ ነባሪ መፍትሒ ንምርካብ ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ ገሊፆም። “ሎሚ ዝተመዛበለ ፅባሕ ንባዕሉ ምምዝባሉ ኣይተርፍን።ናይ ግዜ ጉዳይ እዩ።ስለዘይጠቕም ንዕኡ ገዲፍና ናብ ልምዓት ክንኸይድን ነባሪ ፍታሕ ዝመፀሉ ኣገባብ ምስ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ኣባ ገዳታት፣ዓበይቲ ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን ክንመኻኸር ኢና።ምስ መሪሕነት ኦሮሚያን ደቡብ ህዝብታትን ክንመኻኸር ኢና።ነባሪ ፍታሕ ንምርግጋፅ ፃዕሪ ክግበር እዩ።” ቅድሚ ሎሚ ሓገዝ ንምቕራብ ዘይተኸኣለ ብሰንኪ ፀገም ፀጥታ እዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ንዜጋታት ዘመዛበሉን ዝቐተሉን ክቕተሉ ዝገበሩን ናብ ሕጊ ክቐርቡ እዮም ኢሎም። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ መፂኦም ስለዝረኣዩዎም እቶም ተመዛበልቲ ኣመስጊኖም ኣለው። ዝለዓለ ጥምየት ዘጋጠሞምን ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡን ኣብ ጉተት ዝርከቡ ተመዛበልቲ ግን መፂኡ ዝርኣዮም በዓል ስልጣን መንግስቲ የለን ክብል ናብቲ ቦታ ዝኸደ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ይሕብር። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%8C%8C%E1%8B%B5-%E1%8A%A6-%E1%89%A0%E1%8C%BA%E1%88%96%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%88-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%8B%A9-%E1%8A%A5%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%88%8E%E1%88%9D\/4836449.html"} {"headline":"ኣኼባ ኣካየድቲ ስራሕ ክታበት ምብራቕን ደቡባዊ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ኣስመራ ተኸፊቱ","content":"ኣኼባ ኣካየድቲ ክታበት ምብራቕን ደቡብን ሃገራት ኣፍሪቃ ሎሚ 18 መጋቢት\/2019 ኣብ ሆቴል ኣስመራ ፓላስ ተኸፊቱ። ኣብዚ ብናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ህጻናት ኣድሕን (ዩኒሴፍ)ን ውድብ ጥዕና ዓለምን ዝተመወለን ንስለስተ መዓልታት ዝጸንሕ ኣኼባ ዝተፈላለዩ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቤ\/ጽ ወከልትን ሓለፍትን፡ወኪል ውድብ ጥዕና ዓለም፡ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፡ዲፕሎማት፡ካብ 20 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተወከሉ ኣካየድቲ ስራሕ ክታበት ከምኡ’ውን ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝመጹ 16 ወከልቲ መሻርኽትን ይሳተፉ ኣለዉ። ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ንፈለማ እዋን ኣብ ኣስመራ ዝካየድ ዘሎ ዓመታዊ ኣኼባ ፡ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ናይ ስራሕ ተመክሮ ንምልውዋጥን ዓመታዊ ገምጋም ስራሕ ብምግባር ኣብ ዝቕጽል ዓመት ዝትግበሩ መደባት ንምሕንጻጽ ከምዝኾነ ሓደ ካብቶም ኣወሃሃድት ናይቲ ኣኼባ ዝኾነ ሓላፊ መደብ ሸፈነ ክታበት ኤርትራ ኣቶ ቴድሮስ ይሕደጎ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%8A%BC%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5%E1%89%B2-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8A%AD%E1%89%B3%E1%89%A0%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%89%95%E1%8A%95-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%8D%8A%E1%89%B1%E1%8A%95\/4836363.html"} {"headline":"ኣብ መንጎ ዝተሓምሸሻ ናይ ኢትዮጵያን ኢንዶኖዢያን ነፈርቲ ምምስሳል ከምዘሎ ተገሊጹ","content":"ኣብ መንጎ ዝተሓምሸሻ ናይ ኢትዮጵያን ኢንዶኖዢያን ነፈርቲ ቦይንግ 737 MAX 8 ንፁር ምምስሳል ከምዘሎ ናይ ኢትዮጵያ ሚንስትር መጎዓዚያ ትማሊ ሰንበት ገሊፀን። ናይ ኢትዮጵያ ሚንስትር መጉዓዝያ ወ\/ሮ ዳግማዊት ሞገስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ ብላክ ቦክስ ተባሂሉ ዝፅዋዕ መአከቢ ሓበሬታ በረራ ቁፅሪ 302 መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኩሉ ሓበሬታ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ኣሎ ኢለን። ንሰን እቲ ዝተባህለ ምምስሳል ግን መብርሂ ኣይሃባሉን።ወ\/ሮ ዳግማዊት ከምዝሓበርኦ መባእታዊ ፀብፃብ 157 ሰባት ዝቐተለ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደጋ ምሕምሻሽ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ክወፅእ እዩ ኢለን። No media source currently available ቅድሚ እዚ ብላክ ቦክስ ምርካቡ ኣብ መንጎ 189 ተሳፈርትን ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪትን ዝሞትሉ ናይ ጥቅምቲ ናይ ኢንዶኖዢያ ላይን ኤር ነፋሪትን ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ምምስሳል ከምዝነበረ ብዙሓት ክገልፁ ፀኒሖም እዮም። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ስነ ስርዓት ቀብሪ እቶም ኣብቲ ሓደጋ ዝሞቱ 17 ኢትዮጵያዊያን ትማሊ ሰንበ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተፈጺሙ። ሬሳ ዝሞቱ ብዘይምርካቡ ስድራቤትን ፈተውትን ሓደ ኪሎ ሓመድ ዝሓዘ ናይ ሬሳ ሳንዱቕ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምቕባሮም’ውን ተገሊጹ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%89%A5%E1%88%AA-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%8B%B0%E1%89%90%E1%89%B5-%E1%8A%90%E1%8D%8B%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%A8%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%9E%E1%89%B1-17-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%99\/4836172.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ተወዳደርቲ ፓርቲታት ሰነድ ቃል ኪዳን ተፈራሪሞም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ተወዳደርቲ ፓርቲታት ትማሊ ሓሙስ ሰነድ ቃል ኪዳን ተፈራሪሞም። እዚ ኣሰራርሓ ብዓይነቱ ፍሉይ ተባሂሉ’ሎ። ኹሎም አባላት ኢህወዲግን ሰራሕተኛታት መንግስቲን ንምንቅስቃስ’ቶም ፓርቲታት ከየተዓናቅፉ ቀዳማይ ሚንስትር ኣጠንቂቆም ኣለው። እቲ ዝተፈረመ ሰነድ ቃል ኪዳን ተግባራዊ ምስ ዝኸውን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብታ ሃገር ንዝረአ ዘሎ ስእነት ሰላም ኣዝዩ ከመሓይሾ ይኽእል’ዩ ክብላ አካቢት ቦርድ ምርጫ ወ\/ሮ ብርቱካን መዲቅሳ ገሊጸን። 107 ዝኾኑ ተወዳደርቲ ፓርቲታት ነቲ 20 ዓንቀጻት አለዎም ሰነድ ምፍራሮም ተፈሊጡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%8B%B3%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%8A%90%E1%8B%B5-%E1%89%83%E1%88%8D-%E1%8A%AA%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%88%9E%E1%88%9D\/4831297.html"} {"headline":"መርመርቲ ኣቪየሽን ስባር ነፋሪት ዘደልድል አካል ዝወደቐት ነፋሪት ኢትዮጵያ ኣብ ዘይልሙድ ቦታ ምርኻቦም ገሊጾም","content":"መርመርቲ ኣቪየሽን ዝተወሰነ ስባር ሚዛን ናይታ ነፋሪት ክድልድል ዝገብር ኣካል (stabilizer) ዝወደቐት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘይልሙድ ቦታ ረኺቦም። ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ዝፈልጡ ምንጭታት ከምዝገለፁዎ ናይቲ ስቴብላይዘር ቦታ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ዝተሓምሸሸት ጀት ላየንር ኤር ኢንዶኖዥያ ዝመሳሰል እዩ ይብሉ። ብብላክ ቦክስ ዝፍለጥ መአከቢ ሓበሬታ ናይ በረራ ዳታን መቕረፂ ድምፅን ናይታ ነፋሪት ንምርመራ ናብ ፈረንሳይ ተላኢኹ’ሎ። ብሳተላይት ዝተመዝገበ ጭብጥታት፣መረዳእታታ ወይ ሓቅታት ከምዝሕብሮ በረራ ቁፅሪ 302 መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን በረራ ቁፅሪ 610 ላየን ኤየርን ናይ ብራኸ ምቅይያር ማለት እውን ንላዕልን ታሕትን ይብላ ከምዝነበራን ኣብረርቲ ናይተን ነፈርቲ ንነፈርቶም ክቆፃፀሩ ይቃለሱ ከምዝነበሩን ዝሕብር እዩ።ክልቲኦም ፓይለታት ናብዝተበገስሉ መዕረፎ ነፈርቲ ንምምላስ ፍቓድ ሓቲቶም ነይሮም። ኣሜሪካን ካልኦት ልዕሊ 30 ሃገራትን ድሕሪ ኩሎም 157 ተሳፈርቲ ዝሞትሉ ምሕምሻሽ ነፋሪት ኢትዮጵያ ንቦይንግ 737 ማክስ 8 ነፈርተን ከይበራ ኣጊደን ኣለዋ።ኣብ ዝሓለፈ 29 ጥቅምቲ 2018 እውን ኣብ ኢንዶኖዢያ ብዘጋጠመ ተመሳሳሊ ሓደጋ ኩሎም 189 ተሳፈርትን ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪትን ሞይቶም እዮም። ቦይንግ ናይ ኣስታት 5,000 ቦይንግ 737 ማክስ ነፈርቲ ካብ ዓደግቲ ትእዛዝ ተቐቢሉ ነይሩ።እቲ ኩባኒያ ኣብ ቅድሚኡ ፋይናንሳያዊ ፀገም ከጋጥሞ ይኽእል እዩ ዝብሉ ወገናት’ውን ኣለው። ብዝተኣሳሰረ ዜና ናይ ኣሜሪካ ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ ዘሕዝን ምሕምሻሽ ቁፅሪ በረራ 302 መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ብስልኪ ከምዘዘራረቡዎም ካብ ዋይት ሃውስ ዝበፅሐና መግለፂ ሓቢሩ። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ንስድራን ፈተውን ኣብቲ ሓደጋ ዝሞቱ ሸሞንተ ኣሜሪካዊያን ሓዘኖም ዝገለጹ ክኾኑ ከለው ፕረዚዳንት ትራምፕ ብወገኖም ነቲ ምርመራ ምሕጋዞምን ኣመስጊኖምዎም። ፕረዚዳንት ትራምፕ ንዝጠፍአ ህይወት ሓዘኖም ብምግላፅ ኣሜሪካ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዊሕ ዝፀንሐ ምሕዝነት ንምቕፃል ዘለዋ ድልውነት ገሊፆም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%AD%E1%88%98%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%AA%E1%8B%A8%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%8A%90%E1%8D%8B%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%8B%B0%E1%88%8D%E1%8B%B5%E1%88%8D-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%8B%B0%E1%89%90%E1%89%B5-%E1%8A%90%E1%8D%8B%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%88%99%E1%8B%B5-%E1%89%A6%E1%89%B3-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%BB%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%88%9D%E1%8D%95-%E1%89%A5%E1%8B%9B%E1%8B%95%E1%89%A3-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%8B%B3%E1%89%95-%E1%89%B3-%E1%8A%90%E1%8D%8B%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8A%AA-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%88%AB%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/4831143.html"} {"headline":"ፈረንሳን ኬንያን ናይ 3 ቢልዮን ዩሮ ስምምዕ ተፈራሪመን","content":"ኬንያ ናጽነታ ካብ ትረኽብ ንመጀመርያ ጊዜ ሎሚ ሓሙስ ናብታ ሃገር ዝበጽሑ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ምስ ናይ ኬንያ መዘነኦም ኡሁሩ ኬንያ ኣብ ዝተፈላልየዩ ናይ ብሕቲን ህዝባዊ ናይ ትሕቲ ቅርጺ ፕሮጀክትታት ስምምዕ ፈሪሞም። እቲ ኣብ መንጎ ናይ ፈረንሳ ኩባንታታት መንግስቲ ኬንያን ዝተበጽሓ 3 ቢልዮን ዩሮ ዝዋግኡ ስምምዕ ካብ ዋና ከተማ ናይሮቢ ናብ ጄሞ ኬንያታ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ዝርግሓ ዘለዎ መንገዲ ባቡር ምህናጽ ዝሓወሰ ምኳኑ ተፈሊጡ’ሎ። No media source currently available ፕረዚደንት ማክሮ ኣብቲ ናይ ኬንያ ዑደቶም ኣብ ዝሃብዎ ቃል ሃገሮም ንህዝቢ ኬንያ ዘርብሕንን ፍትሃዊ ዝኾነ ናይ ንግዲ ዝምድና ከምዝደልዩ ብምግላጽ “እቲ ዝበለጸ ናይ ወፍሪ ዓይነት ነቲ ወፍሪ ትቕበል ሃገር ሉዓላዊነትን ዘኽብርን ነባሪን ምስ ዝኸውን’ዩ” ኢሎም። ፕረዚደንት ኬንያታ ብወገኖም \"ምህናጽ’ቲ መንገዲ ባቡር ንብሚልዮን ዝቑጸሩ ሰባት ህይወት ዝቕይር’ዩ” ድሕሪ ምባል ኣብ 2021 ስራሕ ከምዝጅምር’ውን ኣፍሊጦም። ብተወሳኺ ፈረንሳ ንሓደ ካብ ዓበይቲ ጎደናታት’ታ ሃገር ንምምሕያሽ ናይ 1.6 ቢልዮን ዩሮ ውዕል ምስ ሰበስልጣን ኬንያ ከምዝተዘራረቡ ተፈሊጡ’ሎ። ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮ ኣቐዲሞም ኣብ ጅቡቲን ኢትዮጵያን ምብጽሖም ይፍለጥ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%88%E1%88%A8%E1%8A%95%E1%88%B3%E1%8A%95-%E1%8A%AC%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%8B%AD-3-%E1%89%A2%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8B%A9%E1%88%AE-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%8D%88%E1%88%AA%E1%88%9E%E1%88%9D\/4829073.html"} {"headline":"ኢትዮጵያን ፈረንሳን ምህናጽ ሓይሊ ባሕሪ ዝሓወሰ ሓያለ ስምምዕ ተፈራሪመን","content":"ኢትዮጵያን ፈረንሳን ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንምህናጽ ሓዊሱ ኣብ መዳይ ምክልካል:ወፍሪ: ቁጠባን ታሪኻዊ ሓድግታት ኣብ ምሕብሓብን ዝብሉ ስምምዓት ተፈራሪሞም። እዚ ስምምዕ ዝተገብረ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ኣብ ዘካየድሉ’ዩ። No media source currently available ፕረዚደንት ማክሮን ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይን ነዚ ዝተገብረ ስምምዓት ኣብ ሓባራዊ መግለጺኦም አረጋጊጾም ኣለው። ትማሊ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ዑደት ንምክያድ ኢትዮጵያ ዝአተው ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ንጥንታዊ ታሪኻዊ ኣብያተ ክርስትያን ላሊበላ በጺሖም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8D%88%E1%88%A8%E1%8A%95%E1%88%B3%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%8A%93%E1%8C%BD-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%8B%88%E1%88%B0-%E1%88%93%E1%8B%AB%E1%88%88-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%88%98%E1%8A%95-\/4827696.html"} {"headline":"ርእይቶ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ምሻጥ ታሪኻዊ ቦታ ሆቴል ኣብርሃ ካስትል","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ዝርከብ ታሪኻዊ ቦታ ሆቴል ኣብርሃ ካስትል ካብ ኢድ መንግስቲ ንትካል ትእምት ዝኾነ ሱር ኮንስትራክሽን ምሻጡ መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ዝርከቡ ታሪኻዊ ቦታት ሓደ እዩ። እንዳ ደጃት ኣብርሃ (ኣብርሃ ካስትል)ይበሃል። እዚ ታሪኻዊ ቦታ ናብ ኢድ መንግስቲ ኣትዩ ኣገልግሎት ሆቴል እናሃበ ፀኒሑ። ኣብ ቀረባ እዋን እቲ ሆቴል ግቡእ ክትትል ኣይግበረሉን ዘሎ ብዝብል ንውልቀ ሰብ ሃብቲ ንምሻጥ ጨረታ ወፂኡ ኣካል ትእምት ዝኾነ ሱር ኮንስትራክሽን ነቲ ጨረታ ስዒሩ ከምዝወነኖ ዝገልፅ ሓበሬታ ምውፅኡ ስዒቡ ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ። ኣቦ መንበር ዓረና ትግራይ ኣይተ ኣብርሃ ደስታ \"እዚ ታሪኻዊ ቦታ ሃብቲ ህዝቢ ብምዃኑ ህዝቢ እዩ ክውንኖ ዝግባእ\" ይብሉ። ኣብርሃ ካስትል ንትእምት ምሻጥ እውን ትኽክል እዩ ኢሎም ከምዘየኣምኑ እዮም ተዛሪቦም። ሆተል ኣብርሃ ካስትል ኣብ ትሕቲ ትካል ሆቴላት ግዮን ኮይኑ ብመንግስቲ ፌደራል ናተመሓደረ ዝፀንሐ ኮይኑ ካበ ቅድሚ 5 ዓመታት ጀሚሩ ድማ ኣብ ትሕቲ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ኮይኑ እናተመሓደረ እዩ ፀኒሑ። ሓላፊት ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ወይዘሮ ብርኽቲ ገብረመድህን እቲ ሆቴል በቲ ዝድለ መንገዲ ክለምዕ ብዘይ ምኽኣሉ እዩ ካብ ኢድ መንግስቲ ክወፅእ ዝተገበረ ኢለን። ቅድሚ ሐዚ ዝተኻየዱ ክልተ ግዘ ጨረታታት ሰብ ውልቀ ሃብቲ ተዓዊቶምሉ ዝነበረ ንምንታይ እዩ ተሰሪዙ ኢልና ሓቲትናየን \" እቲ ቐሪቡ ዝነበረ ዋጋ ብምንኣሱን ካልኦት ክማልኡ ዝግበኦም ረቛሒታት ብዘይምምልኦም እዩ\" ኢለን። ንትእምት እቲ ትካል ንምሻጥ ፖለቲካዊ ውሳነ እዩ ዝብል ይለዓልዩ ኢልና ድማ ሓቲትናየን። እቲ ብኣሰራርሓ ከይዲ ጨረታ ዝተፈፀመ እምበር ፖለቲካዊ ኣይኮነን ኢለን። እቲ ካብ መሸጣ ዝተረኸበ 175 ሚሊዮን ብር ናብ መንግስቲ ትግራይ ኣታዊ ምዃኑ ተገሊፁ እዩ። ነቲ ሆቴል ዝዓደገ ትካል ሱር ኮንስትራክሽን ኣካያዲ ስራሕ ዝኾኑ ኣይተ ታደሰ የማነ ብቐፃሊ ትካሎም ዝሓዞ ትልሚ ክገልፁልና ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን። ኣብ ናይ ውልቀኦም ፌስቡክ ገፅ ዘስፈርዎ ፅሑፍ ከምዘመላኽቶ \"ኣብቲ ታሪኻዊ ሆቴል ዝስርሑ ስራሕቲ በብደረጅኡ ህዝቢ እናዘተየሎም ዝስርሑ እዮም\" ኢሎም፡፡ እቲ ነባር ታሪኻዊ ሆቴል ከምዘይፈርስን እቲ ዝሕሰብ ሓዱሽ ልምዓትውን ነቲ ነባር ታሪኻዊ ህንፃ ብዘጉልህ መንገዲ ከምዝህነፅ ኣረጋጊፆም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%8B%88%E1%8C%88%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%88%BB%E1%8C%A5-%E1%89%B3%E1%88%AA%E1%8A%BB%E1%8B%8A-%E1%89%A6%E1%89%B3-%E1%88%86%E1%89%B4%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%83-%E1%8A%AB%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%8D\/4827431.html"} {"headline":"“እግዚኣብሄር ሃበ፡እግዚኣብሄር ወሰደ” ወላዲ ኣብራሪ ዝወደቐት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ","content":"ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ኣብ ከባቢ ቢሾፍቱ ኢትዮጵያ ወዲቓ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጠንቂ ዝምርምር ኮሚተ ተመስሪቱ ስርሑ ከምዝጀመረ ሚንስትሪ መጉዓዝያ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ’ሎ። ኣብቲ ከይዲ ምርመራ ዝካፈል ጉጅለ ምርመራ ካብ እስራኤልን ኣሜሪካን አዲስ አበባ ኣትዩ’ሎ። ወላዲ ካፒቴን ያሬድ ጌታቸው (ኣብራሪ እታ ነፋሪት) ዶ\/ር ጌታቸው ተሰማ ብዛዕባ ወዶምን ይዛረቡ። ገለ ወለዲ፡ቤተሰብን ፈተውትን መወቲ ሎሚ እታ ነፋሪት ኣብ ወደቐትሉ ከባቢ ከምዝተራእዩ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ’ሎ። ካልእ ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንኣስታት 40 ዓመታት ዘገልገሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ጥሮታ ዝርከቡ ካፒቴን አንተሁነኝ ሞገስ ብዛዕባ’ቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን በረራ ነፈርቲን ተመክሮኦም ኣካፊሎም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A5%E1%8C%8D%E1%8B%9A%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%88%84%E1%88%AD-%E1%88%83%E1%89%A0-%E1%8A%A5%E1%8C%8D%E1%8B%9A%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%88%84%E1%88%AD-%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8B%B0-%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%88%AA-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%8B%B0%E1%89%90%E1%89%B5-%E1%8A%90%E1%8D%8B%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%A8%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/4826153.html"} {"headline":"ወለዲ፡ስድራ ቤትን ፈተወትን መወቲ ዝወደቐት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብቲ ቦታ ይበጽሑ","content":"ወለዲ፡ስድራቤትን ፈተወትን መወቲ ብሰንበት ዝወደቐት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሎሚ ሶሉስ ናብቲ ቦታ ይበጽሑ ምህላዎም ተገሊጹ። ኣደ ሓንቲ በቲ ሓደጋ ካብ ዝሞታ አባላት’ታ ነፋሪት ዝኾነት ኣያንቱ ግርማ እታ ነፋሪት ናብ ዝወደቐትሉ ቦታ ብምብጻሕ ዝምጸትሉ ምክንያት ከምዚ ክትብል ተረድእ። “እቲ ዘጋጠመ ኮይኑ እዩ እንተኾነ ሬሳ ጓለይ ይደልይ ኣለኹ። ንጓለይ ብሰላም ከዕርፋ ይደልይ ኣለኹ። ናብዚ ቦታ ዝመጻእኹ ጓለይ ህይወታ ዝሰኣነትሉ ቦታ ንምርኣይ’ዩ”ትብል። No media source currently available ካልእ ኣብቲ ቦታ ዝተረኽበ ዓርኪ ኣብራሪ’ታ ነፋሪት ካፒቴን ያሬድ ምዃኑ ዝገለጸ ተፈሪ እክል ምስሊ’ቲ ፓይለት ካብ ቴሌፎኑ እንዳረኣየ ከምዚ ይብል። “ዋላ’ዃ ሬሳ ያሬድ ክንረኽብ እንተዘይኸአልና ንዓርክና ዝግባእ ክብሪ ንምሃብ ኢና ኣብዚ ተረኺብና ዘለና። ናብዚ ህይወቱ ዝሰኣነሉ ቦታ ብምምጻእ ክንፋነዎ ኢና መጺና። ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ቅኑዕ ሰብ እዪ ኔሩ። ዝፈልጦ ዘበለ ቅኑዕ፡ሰናይ ሰብ ምንባሩ ይምስክር። እግዚኣብሄር ኣብ የማኑ ይቐበሎ” ኢሉ። ካልእ ሓውን አዲኡን በቲ ሓደጋ ዝሰኣነ ሶማላዊ ኑረዲን መሓመድ “ኣደይን ሓወይን እየ በዚ ሓደጋ ስኢነ። ሕጂ ኢና መጺና። ክልቲኦም መንግስታት ሓገዝ ይገብሩልና ኣለው። አባላት ኤምባሲ’ውን ክመጹ ንጽበዮም ኣለና”ኢሉ። አባላት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በቲ ሓደጋ ንዝሞቱ ትማሊ ሶኑይ ናይ ዝኽሪን ሽምዓን ስነ ስርዓት አካይዶም ኔሮም። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝተዋጽኡ ሰብ ሞያ ናብቲ ቦታ ይኣትው ከምዘለው’ውን ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ’ሎ። ናይ ኣሜሪካን እስራኤልን ሰብሞያ ናብቲ ቦታ ምብጽሖም ተፈሊጡ’ሎ። ብሰንበት ካብ አዲስ አበባ ናብ ኬንያ ትበርር ዝነበረት ቦይንግ 737 ማክስ 8 ዝዓይነታ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ ምብጋሳ ሽዱሽተ ደቓይቕ ኣብ ከባቢ ቢሾፍቱ ብምውዳቓ 149 ተሳፈርቲን 8 አባላት መንገዲ ኣየርን ብምሉኦም ም ሟቶም ይፍለጥ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8B%B2-%E1%88%B5%E1%8B%B5%E1%88%AB-%E1%89%A4%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8D%88%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8B%88%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%8B%B0%E1%89%90%E1%89%B5-%E1%8A%90%E1%8D%8B%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%A8%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%93%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%89%A6%E1%89%B3-%E1%8B%AD%E1%89%A0%E1%8C%BD%E1%88%91\/4825636.html"} {"headline":"ፕረዚዳንት ፍረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ሰለስተ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ክበጽሑ’ዮም","content":"ፕረዚዳንት ፍረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ሰለስተ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዑደት ክበጽሑ’ዮም። ዕላማ'ቲ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝፀንሕ መገሽኦም፡ ፈረንሳይ ምስቲ ከባቢ ዝህልዋ ወታደራዊ፡ንግዳዊ፡ባህላውን ከባቢያዊ ሓለዋን ምትእስሳር ንምስፋሕን ቻይና ሓዊሱ ኣብቲ ዞባ ይንቀሳቐሳ ንዘለዋ ሓደሽቲ ተዋሳእቲ ንምብዳህን እዩ። ናይ ማክሮን ዑደት ፅባሕ ሶሉስ ብኣዲስ ኣበባ ብምጅማር ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ፕረዚዳንት ሳህለወቅ ዘውዴ፡ከምኡ እውን ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሓማትን ክዘራረቡ እዮም።ድሕሪ ናይ ኢትዮጵያ ዑደቶም ድማ ኣብ ኬንያን ጅቡትን ክበፅሑ እዮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B3%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%A8%E1%8A%95%E1%88%B3-%E1%8A%A2%E1%88%9B%E1%8A%91%E1%8A%A4%E1%88%8D-%E1%88%9B%E1%8A%AD%E1%88%AE%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%88%AD%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%89%A0%E1%8C%BD%E1%88%91-%E1%8B%AE%E1%88%9D\/4824313.html"} {"headline":"ዋጋ ዕዳጋ ቦይንግ ብ12 ሚእታዊት ምጉዳሉ ተገሊጹ","content":"ኣፍራዪ ነፈርቲ ቦይንግ ዝኾነ ኩባንያ ድሕሪ ትማሊ ሰንበት ዘጋጠመ ምሕምሻሽ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሎሚ ሶኑይ ዋጋ ዕዳጋ እቲ ኩባንያ ብ12 ሚእታዊ ከምዝወረደ ተፈሊጡ። መንገዲ ኣየር ቻይና፡ኢንዶኖዥያን ኢትዮጵያን ትማሊ ሰንበት ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ቦይንግ 737 MAX 8 ዝዓይነተን ነፈርቲ ብግዚያዊነት ካብ ኣገልግሎት በረራ ደው ከምዘበልወን ዝበፅሐና ዜና ሓቢሩ።ቦይንግ 737 MAX 8 ዓይነት ነፋሪት ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ካብ ጃካርታ ምስተልዓለት ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ናብ ባሕሪ ጃቫ ተሓምሺሻ ምስ ወደቐት ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ኩሎም 189 ሰባት ምሟቶም ይዝከር። ቦይንግ ድሕሪ ናይ ትማሊ ሰንበት ሓደጋ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ በቲ ሓደጋ ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊፁ’ሎ። መግለፂ ቦይንግ ብምውሳኽ ናይ ቴክኒክ ሓገዝ ንምሃብ ሓደ ጉጅለ ቴክኒክ እቲ ሓደጋ ምሕምሻሽ ናብ ዘጋጠመሉ ቦታ ክልእኽ ምዃኑ'ውን ኣፍሊጡ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8B%E1%8C%8B-%E1%8B%95%E1%8B%B3%E1%8C%8B-%E1%89%A6%E1%8B%AD%E1%8A%95%E1%8C%8D-%E1%89%A512-%E1%88%9A%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%88%89-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4824305.html"} {"headline":"ሳንዱቕ ሓበሬታ(ብላክ ቦክስ) ዝወደቐት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተረኺቡ","content":"ናይታ ትማሊ ሰንበት ወዲቓ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሳንዱቕ ሓበሬታ ( ብላክ ቦክስ) ከምዝተረኽበ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ ንዝኽሪ እቶም ኣብ ሓደጋ ነፋሪት ቦይንግ 737 ማክስ 8 ዝሞቱ 157 ሰባት መዓልቲ ሓዘን ሎሚ አዊጃ’ላ። በቲ ሓደጋ ዝሞቱ ሰባት ዜጋታት ልዕሊ 30 ሃገራት ምኳኖም’ውን ተፈሊጡ’ሎ። እታ ሓደጋ ነፋሪት ካብ ከተማ አዲስ አበባ ናብ ናይሮቢ ኣብ ትበረሉ እዋን ዘጋጠመ ክኸውን ከሎ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ካብ ትብገስ ድሕሪ ሽዱሽተ ደቓይቕ ኣብ ከባቢ ቢሾፍቱ ምሕምሻሻ ይፈልጥ። ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B3%E1%8A%95%E1%8B%B1%E1%89%95-%E1%88%93%E1%89%A0%E1%88%AC%E1%89%B3(%E1%89%A5%E1%88%8B%E1%8A%AD-%E1%89%A6%E1%8A%AD%E1%88%B5)-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%8B%B0%E1%89%90%E1%89%B5-%E1%8A%90%E1%8D%8B%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%A8%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%88%A8%E1%8A%BA%E1%89%A1\/4824172.html"} {"headline":"ተመሳሳልነት ሓደጋ ቦይንግ 737 ነፈርቲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኢንዶነዥያን","content":"ትማሊ ሰንበት ዘጋጠመ ሓደጋ ምሕምሻሽ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፥ ምስ ቅድሚ ሓሙሽተ ወርሒ ማለት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ መገዲ ኣየር ላዮን ናይ ኢንዶነዥያ ዘጋጠመ ሓደጋ ተመሳሳሊ ምንባሩ ይግለጽ ኣሎ። ንኽልቲአን ነፈርቲ ዘጋጠመን ሓደጋ ምሕምሻሽ ንምፍላጥ ዋላ እቲ መርመራ ዛጊት ይቕጽል እንተሎ ኣብ ሓጺር ግዜ፥ ኣብ ትሕቲ ንቡር ኩነታት ኣየር እሞ ኸኣ ኣብ ሓደስቲ ነፈርቲ ብምግጣሙ ኣቓልቦ ሓያሎ ስሒቡ ይርከብ። ተመሳሳልነት ሓደጋ ክልቲአን ነፈርቲ ኣብ ክልቲኡ ሓደጋታት ምሕምሻሽ ዘጋጠመን ነፈርቲ ስርሓት ቦይንግ ዝተባህለ መፍረ ነፈርቲ ኮይነን: ዓይነተን ድማ ቦይንግ 737- MAX 8 ዝተባህላ እየን። ክልቲአን ነፈርቲ ሒደት ደቓይቕ ድሕሪ ንቕሎ እየን ወዲቐን። ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ጃካርታ ዝተበገሰት መገዲ ኣየር ላዮን 610 ናይ ኢንዶነዥያ ክትወድቕ እንከላ ምስኣ ተሳፊሮም ዝነበሩ 189 ሰባት ምስታ ነፋሪት ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ሞይቶም። ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣዲስ ኣበባ ዝተበገሰት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ET302 ብተመሳሳሊ ምስኣ ዝነበሩ 157 ሰባት ብሙሉኦም ምስ ምሕምሻሽ እታ ነፋሪት ሞይቶም። ክልቲአን ነፈርቲ ሓደስቲ ምንባረን ድማ ይሕበር ኣሎ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪቱ ቅድሚ ኣርባዕተ ወርሒ ከምዝተረከባ እዩ ኣፍሊጡ። ቦይንግ 737 ዝዓይነተን ነፈርቲ ተመሓይሸንን ማዕቢለንን ዝቐረባ ነባራት ዓይነት ነፈርቲ ኮይነን: ብዘለወን ቁጠባ ሃልኪ ነዳዲ: ናይ ባርዕ መቆጻጸሪ ናውትን ካልኦትን ብልጫታትን ኣብ ዕዳጋታት መገዲ ኣየር ጠለብ እናረኸባ ክመጻ ዝጸንሓ ዓይነት ነፈርቲ እየን። እዘን ብራብዓይ ወለዶ ማለት Fourth Generation ተባሂለን ዝፍለጣ ዝተመሓየሻ ነፈርቲ ቦይንግ 737 ኣብ 2011 ክፈርያ ምጅማረን ድማ ይሕበር። ኣብ ዝሓለፈ ሽድሽተ ወርሒ ጥራይ ምስ ናይዚ ትማሊ ምሕምሻሽ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክልተ ነፈርቲ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ብምውዳቐን: ኣብ ልዕሊ እዘን ቦይንግ 737 ዝተባህላ ናይ ድሕነት ስክፍታታተን ዓሪጉ ይርከብ። በዚ ድማ መገዲ ኣየር ቻይና ከምኡ’ውን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኩለን ኣብ ትሕቲኡ ዝንቀሳቐሳ ቦይንግ 737- 8 ከይበራ ትእዛዝ ምምሕልላፉም ተገሊጹ። ቦይንግ ዝተባህለ ኣፍራይ እተን ነፈርቲ ድማ ድሮ ሕቶታት ይውሕዘሎ ምህላው ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜናታት ሓበሮም ኣለው። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%B3%E1%88%B3%E1%88%8D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B-%E1%89%A6%E1%8B%AD%E1%8A%95%E1%8C%8D-737-%E1%8A%90%E1%8D%88%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%A8%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%8A%95%E1%8B%B6%E1%8A%90%E1%8B%A5%E1%8B%AB%E1%8A%95-\/4823973.html"} {"headline":"157 ሰባት ዝጸዓነት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብምውዳቓ ኩሎም ተሳፈርቲ ሞይቶም","content":"ቦይንግ 737 ዝዓየነታ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ተበጊሳ ናብ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ እተምርሐሉ ዝነበረት ግዜ ብዘጋጠማ ሓደጋ ከምዝወደቐትን ኩሎም ጽዒናቶም ዝነበረት ተሳፈርቲ ድማ ከምዝሞቱ ተገሊጹ። እታ ነፋሪት ሓጺር ድሕሪ ምብራራ ቢሾፍቱ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ከምዝተሓምሸሸት መንግስታዊ መራኸቢ እታ ሃገር ኣረጋጊጹ። ብመሰረት ዝተረኽበ ሓበሬታ: እታ ነፋሪት ዜጋታት 33 ሃገራት ጺዒና ኣብ በረራ ከምዝነበረት ክፍለጥ ከሎ: ካባታቶም ድማ 32 ኬንያውያን፤ 18 ካናዳውያን፤ 9 ኢትዮጵያውያንን 8ኣመሪካውያንን ዝርከብዎም ካብቶም ዝሞቱ ምዃኖም ድማ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ሓደጋ ምሕምሻሽ ዘጋጠማ ቦይንግ 737- MAX 8 ዝዓየንታ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ሎሚ ሰንበት በረራ ዝጀመረት ክትኸውን እንከላ: ሽዱሽተ ደቒቕ ድሕሪ ንቕሎኣ ካብ መቖጻጸሪ ራዳር ምስዋራ ብተወሳኺ ተገሊጹ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነታ ነፋሪት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ብዕድጊ ካብ ዝተረከበን ሓደስቲ ነፈርቲ ምዃና ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብስም መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ንስድራቤትን ፈተወትን መወቲ ናይታ ኣብ ስሩዕ በረራ እንከላ ሓደጋ ዘጋጥማ ነፋሪት ዝተሰምዖም መሪር ሓዘን ገሊጹ። ብተመሳሳሊ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ አዲስ አበባ ብስም ህዝብን መንግስቲን ኣሜሪካ ከምኡ'ውን አባላት'ቲ ኤምባሲ ንፈተወትን ቤተሰብን ግዳያት ምጽንናዕ ተመንዮ። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረስ ብወገኖም በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ዝተሰምዖም ሓዘን ብምግላጽ ንፈተወትን ቤተሰብን ግዳያት ምጽንናዕ ተመንዮም ንህዝብን መንግስቲን ኢትዮጵያን እውን ናይ ሓዘን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8B%93%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%90%E1%8D%8B%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%A8%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%8B%B3%E1%89%93-%E1%8A%A9%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%B3%E1%8D%88%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/4822269.html"} {"headline":"ዶ\/ር ወርቅነህ ገበየሁ ሓጋዚ ዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃ ኮይኖም ተሸይሞም","content":"ሚኒስትር ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶ\/ር ወርቅነህ ገበየሁ ረዳት ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኮይኖም ንክሰርሑ ብዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ተመዚዞም። ሚድያታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝገለጸኦ 'ዶ\/ር ወርቅነህ ናብ'ዚ ክብ ዝበለ ሓላፍነት ዝበቅዑ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ርግኣትን ንክዓስል ከምኡውን ኣብ ምዕዋት ሸቶታት ነባራይ ምዕባለ ሕ\/ሃ ልዑል ኣበርክርቶ ስለዝነበራ'ዩ'። ሚኒስትር ወጻኢ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ 'ውሳነ ዋና ጸሓፊ ኣንቶንዩ ጉተረዝ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ብርክት ዝበሉ መድረኻት ዛጊድ ንዝነበራ ተግባራት ኣፍልጦ ዝሃበ ምዃኑ ሓባሪ'ዩ' ኢሉ'ሎ። ዶ\/ር ወርቅነህ ገበየሁ ኣብ ኬንያ ንዝማእከሉ ቤት ጽሕፈት ሕ\/ሃ ናይ ምምራሕን ምትሕብባርን ሓላፍነት ክርከቡ'ዮም። ቤት ጽሕፈት ሕ\/ሃ ኣብ ኬንያ ክሳብ 5 ሽሕ ሰራሕተኛታትን 16 ትካላትን ዝሓቐን'ዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-minister-of-foreign-affairs-workneh-gebeyehu-picke-by-antonio-guterez\/4820642.html"} {"headline":"ዶ\/ር አምባቸው መኮንን ዋና ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ኮይኖም ተመዚዞም","content":"ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ንናይ ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ናይ ስልጣን ምልቃቕ ሕቶ ብምቕባል ንዶ\/ር ኣማባቸው መኮነን ዋና ኣማሓዳሪ ገይሩ ሸይሙዎም። ንሰለስተ መዓልታት ክካየድ ዝቐነየ ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ሎሚ ኣኼብኡ ክዛዝም ከሎ ንኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ናይ ስልጣን ምልቃቕ ሕቶ ብምቕባልን ኣብ ክንድኦም ንዶ\/ር ኣምባቻው ኣመኮነን ዋና ኣማሓዳሪ ገይሩ ሸይሙዎም ኣሎ። ዶ\/ር ኣማባቸው መኮነን ቃለ መሓላ ምስ ፈፀሙ ኣብዘስምዕዎ መደረ ትኹረት ዝቕፅል ናይ ስልጣን ዘመኖም ፅኑዕ መሓውር መንግስቲ ምምስራት፣ናይ ለውጢ ኣመራርሓ ምህናፅን ኣብቲ ክልል ሕግን ስርዓትን ምስፋንን ክኸውን እዩ ኢሎም። “ምስዞም ተግባራት ብዝተኣሳሰረ ትኹረት ተዋሂቡዎ ዝስራሕ ካልእ መሰረታዊ ስራሕ ህዝብና ሕጊ ንከኽብር፣ሕጊ ክኽበር ክገብርን ብሕጊን ሕጊን ጥራሕ ክምራሕን ብምግባር መሰረታዊ መንግስታዊ ስርዓት ናይ ምኽባርን ልዕልነት ሕጊ ናይ ምርግጋፅን ስራሕ ክኸውን እዩ።” ሰላም ኣብ ኩለመዳያዊ ልምዓት ዘለዎ ኣወንታዊ ኣበርኽቶ ዝለዓለ ስለዝኾነ ሓገዝኩም ኣይፈለየና ድሕሪ ምባል ረብሓ ህዝቢ ኣምሓራ ንምኽባር ምውዳብ ወሳኒ እዩ ኢሎም። “መሰል፣ረብሓ፣ክብርን ነፃነትን ህዝቢ ኣምሓራ ንምኽባር ፍቱን መፍትሒኡ ምውዳብን ምምይያጥን ምዃኑ ብምእማን ክልልና ነዚ ምቹእ ክኸውን ብዕቱብ ክንሰርሓሉ ምዃንና ደጊምና ክነረጋግፀልኩም ንፈቱ።” ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ኣብ ዘስምዕዎ ናይ ስንብት መደረ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ናይ ስልጣን እዋኖም ኣብ ማሕበራዊ ቁጠባውን ፖለቲካዊ ጉዳያትን ናይቲ ክልል ተረባሕነት ህዝቢ ንምርግጋፅ ዘዕግብ ስራሕ ምስርሖ ገሊፆም። ውሽጣዊ ሓድነት ህዝቢ ኣምሓራ ምሕያል ቅድሚ ኩሉ ዝርአ ኣጀንዳ ክኸውን ኣለዎ እውን ኢሎም። “ውሽጣዊ ሓድነት ዘይብሉ ህዝቢ ብቑፅሪ እንተበዝሐ እውን ክንዲ ድላዩ ንዋታውን ተፈጥሮኣውን ሃብቲ እንተሃለዎ እውን ከዕውት ኣይክእልን እዩ።ስለዝኾነ ካብ ዘይተዓረየን ዝተበታተነን ኣተሓሳስባ ብምውፃእ ኣብ ዙሪያ ናይ ሓባር ህልውንኡ ዘረጋግፅ፣ምስ ካልኦት ሕውነት ክፈጥርን ከሐይልን ዝኽእለሉ ሰላማዊ፣ዴሞክራሲያውን ልምዓታውን ኣጀንዳ ክተኣኻኸብ ኣለዎ።” ምስ ጎረባብቲ ክልላት ኣብ ሰላም፣ፍቕርን ምክብባርን ዝተመስረተ ሓድነት ምሕያል የድሊ እዩ ዝብሉ ኣቶ ገዱ ኣብ መንጎ ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ዘሎ ርክብ ሓቃውን ዘለኣለማውን እዩ፤ብፍሉይ ትኹረት እውን ክረአ ኣለዎ ኢሎም። እዞም ክልተ ህዝብታት ብታሪኽ፣ብሃይማኖት፣ብባህልን ህንፀት ሃገርን ዝተፈላለየ ርክብ ዘለዎምን ዘኹርዕ ናይ ሓባር ክብሪ ክሃንፁ ዝፀንሑን ኣሕዋት ህዝብታት እዮም እውን ኢሎም።እዚ ፅቡቕ ርክብ ካብ እዋን ናብ እዋን እናተሸርሸረ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ብጥርጣረ ዝርየአሉን ኣብ ስግኣት ዝተመስረተ ርክብ እናሰፍሐን መፂኡ’ሎ ኢሎም። እዚ ክኸውን ዝኽኣለ ብደረጃ መሪሕነት ንኣምሓራ ዝፀልእ ሱር ዝሰደደ ኣተሓሳስባ ምትሓዙ ጥራሕ ዘይኮነስ ህዝቢ ኣምሓራ ካብ ጨቋኒ ስርዓት ብፍሉይ ተረባሒ ከምዝኾነ ብኻልኦት ናይ ኢትዮጵያ ህዝብታት ብጥርጣረ ክርአ ዝተጋገየ ፕሮፖጋንዳ ብምዝርግሖም እዩ ኢሎም። “ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ድማ ኮነ ተባሂሉ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ስግኣትን ጥርጣረን ዘእቱ ኣብ ሓሶት ዝተመስረተ ‘ኣምሓራ ክወረካ እዩ’ ዝብል ወፍሪ ናይ ክልቲኦም ህዝብታት ርክብ ዘሕርፍፍ ተተሊሙ ይስርሐሉ’ሎ።ብኻልእ ወገን ድማ ብሽም ህዝቢ ኣምሓራ እናምሓሉን እናተገዘቱን ህዝቢ ትግራይ ንስግኣት ዘቃልዑ መግለፂታትን ዘይእርኑብ ፕሮፖጋንዳን ነቲ ኩነታት እናጋደዶ ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ።በዚ ኣጋጣሚ ንህዝቢ ኣምሓራ ከመሓላልፎ ዝደሊ መልእኽቲ ካብ ክልቲኡ ኣንፈታት ዝንዛሕ ፅልኢ ዝሓዘሉ ወፍርታት ኣብ ትግራይ ዝርከብ ሰሪሑ ዝሓድር ህዝቢ ሓቃዊ ፈታዊኻ ምዃኑ እዩ።” ርክብ ህዝቢ ኣምሓራን ትግራይን ዘለኣለማዊ እዩ ዝበሉ ንሶም ምስ ወሰንን መንነትን ዝተኣሳሰሩ ሕቶታት ሰላማዊ፣ሕግን ታሪኽን መሰረት ብምግባር ብድልየት ህዝቢ ተመስሪቱ ምፍታሕ ዝክኣል ምዃኑ ብፅኑዕ እኣምን እየ ኢሎም። ብኻልእ ዜና ድማ ኮምቴ ፈፃሚ ስራሕ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣምሓራ ናይቲ ፓርቲ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኣቶ ምግባሩ ከበደ ብማዕረግ ዋና ኣማሓዳሪ ናይቲ ክልል ጠቓላሊ ዓቃቢ ሕጊ ገይሩ ሸይሙዎም። ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8A%A0%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%89%B8%E1%8B%8D-%E1%88%98%E1%8A%AE%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%B3%E1%88%AA-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8A%AE%E1%8B%AD%E1%8A%96%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9A%E1%8B%9E%E1%88%9D\/4820617.html"} {"headline":"ብኣደ-መንበር ንኡስ ኮሚቴ ኣፍሪቃ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ባይቶ ኣሜሪካ: ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝገበሮ ዑደት ዛዚሙ ተመሊሱ","content":"ብኣደ-መንበር ንኡስ ኮሚቴ ኣፍሪቃ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ባይቶ ኣሜሪካ: ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝገበሮ ዑደት ዛዚሙ ናብ ዋሺንግተን ዲሲ ተመሊሱ`ሎ። ዕላማ`ቲ ዑደት፡ ሰላምን ምርግጋእን ቀርኒ-ኣፍሪቃ ንምድጋፍን እተን ሃገራት ዘካይድኦ ዘለዋ ምምሕያሻዊ ለውጥታት ብምድናቕ: ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት`ውን ከተኩራ ንምብርትታዕ ምዃኑ ተገሊጹ`ሎ። ካብ ካሊፎርንያ ዝተወከለት ኣባል ባይቶ ኣሜሪካ ካረን ባስ ዝመርሐቶ ጉጅለ ልኡኽ፡ ካብ ኮለራዶ ዝተወከለ ካብ ኤርትራውያን ስድራ-ቤት ዝውለድ ኮንግረስማን ዮሴፍ ንጉሰን ካብ ሶማልያውያን ትውለድ ኮንግረስዉማን ኢልሃን ዑማርን ዝሓቖፈ`ዩ ኔሩ። ሚስ ኬረን ባስ፡ ዋሺንግተን ዲሲ ምስ ኣተወት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ “ ኤርትራን ኢትዮጵያን ን20 ዓመታት ዝጸንሓ ባእሲ ዘወገደ ታሪኻዊ ናይ ሰላም ስምምዕ ድሕሪ ምፍርራመን፡ ኣብ`ቲ ኸባቢ ለውጢ ኣብ ዝርኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ብባይቶ ኣሜሪካ ናብ`ተን ሃገራት ፈላማይ ዑደት ምክያዱ ትርጉም ዘለዎን ጠቓምን`ዩ” ኢላ። ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጸ፡ ዓፈና ፖለቲካ ዘወግድ ሓያል ናይ ለውጢ ኣጀንዳ ሒዙ`ሎ ዝበለት ካረን ባስ፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ናይ ፖለቲካ እሱራት ምፍትሑ፡ መራኸቢ ብዙሃን ክፉታትን ናጻን ከምዝኾኑ ምግባሩን ካብ ኣባላት ካቢንኡ ፍርቀን ደቀንስትዮ ምሻሙን ርኡይ ለውጢ ምዃኑ ኣዘኻኺራ። ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ፡ኣደ-መንበር ንኡስ ኮሚቴ ኣፍሪቃ ካረን ባስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴን ካልኦት ብርክት ዝበላ ደቀንስትዮ ሚንስተራትን ተራኺባ ምምይያጣ ድሕሪ ምግላጽ፡ ንመጻኢ`ውን ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ናይ ለውጢ መንፈስ ብቐረባ ከም ትከታተሎ ሓቢራ። ሚስ ካረን፡ኣተሓሒዛ፡ ኣሜሪካ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሒዝዎ ዘሎ ናይ ለውጢ ኣጀንዳ ከምትድግፍን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝወረደ ሰላም ዝያዳ ንክሕይል ከምትሕግዝን ኣፍሊጣ። እቲ ጉጅለ ልኡኽ ባይቶ ኣሜሪካ፡ ቅድሚ ናብ ኢትዮጵያ ምጉዓዙ፡ ኣብ ኤርትራ ብምብጻሕ፡ ምስ ሰበስልጣን ቁምነገር ዘለዎ ምይይጥ ከምዘካየደ ካረን ባስ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ኣፍሊጣ`ላ። ኣባል ባይቶ ኣሜሪካ ካረን ባስ ኣተሓሒዛ ምስ ጉጅለኣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን፡ ኤርትራ ናብ ለውጥን ስግግርን ክትኣቱ ከምዘለዋ ምስ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ከምዝተዘራረቡን፡ ኣብ ኤርትራ ኣሎ ብዛዕባ ዝብሃል ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ድማ ሰበ-ስልጣን ብንቕሓት ምክትታል ከምዝግብኦም፡ ከምኡ`ውን ሲቪላዊ ናጽነታት ናይ ምኽባር ስጉምትታት ከወስዱ ምትሕስሳባ ገሊጻ። ካረን ብተወሳኺ፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ሃገሮም ገዲፎም ንኽስደዱ ምኽንያት`ዩ ዝበለቶ ደረት-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ከምዝመኸረትሉ ኣፍሊጣ። ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ብወገኖም፡ ናይ ኤርትራ ኩነታት ፀጥታን ድሕነትን ምምሕያሹ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምምሕያሽ ንምምጻእ ንፖሊሲታት ሃገሮም ኣብ ምግምጋም ከም ዝርከቡ ከም ከምዝነገርዋ ካረን ባስ ኣብ`ቲ መግለጺኣ ሓቢራ። ንሳ ብተወሳኺ እቲ ዝመረሓቶ ጉጅለ ልኡኽ ባይቶ ኣሜሪካ ምስ መንእሰያት ኤርትራ ተራኺቡ፡ ምዝርራቡን፡ ብዛዕባ ህይወቶምን ተስፋኦምን ከምዘዕለልዋ ገሊጻ። ምስታ ጉጅለ ልኡኽ ንኤርትራ ዝተጓዕዘ ካብ ኤርትራውያን ዝተወልደ ሓዲሽ ኮንግረስማን ዮሴፍ ንጉሰ`ውን፡ ኣብ`ቲ ከባቢ ሰላም፡ ጸጥታ፡ ሰብኣዊ መሰላትን ደሞክራሲያዊ ለውጥታትን ንምሕጋዝን ምስ መሳርሕቱን ምስ ቤት-ዕዮ ወጻእን ከም ዝሰርሕ ኣመልኪቱ። ትውልደ ሶማልያ ዝኾነት ኮንግረስዉማን ኢላን ዑማር ብወገና፡ ሰላም ዘስተማቕሩ እቶም ሕሰም ኩናት ዝፈልጡ`ዮም ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርኣይ ዘሎ ኩነታት ዝድነቕን ዘሓጉሳን ምዃኑ ገሊጻ`ላ። ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ-ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣደ-መንበር ንኡስ ኮሚቴ ኣፍሪቃ ካረን ባስ ብሓፈሽኡ፡ ኣሜሪካ እዚ ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርኣይ ዘሎ ኣወንታዊ ምንቅስቓስ ትድግፍ ምዃና፡ እዚ ናይ ባይቶ-ተወከልቲ ዑደት ሓያል መረጋገጺ`ዩ ኢላ ። ባይቶ ወከልቲ ኣሜሪካ ናብ ኤርትራ ጉጅለ ልኡኽ ክልእኽ ድሕሪ 14 ዓመታት ንመጀመርያ ግዜ`ዩ። ሽዕኡ ኣስመራ ዝኣተወ ብኣቦመንበር ንኡስ ኮሚቴ ኣፍሪቃ ዝነበሩ ናይ ኒው-ጀርሲ ኮንግረስማን ዶናልድ ፐይን ዝተመርሐ ልኡኽ `ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%B0-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8A%95%E1%8A%A1%E1%88%B5-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B4-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%88%AE-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%99-\/4817701.html"} {"headline":"ሃረር፡ ከባቢ ፋብሪካ ቢራ ይግብኣና’ዩ ዝብሉ ውልቀሰባት ኣብ ልዕሊ ነበርቲ መጥቓዕቲ ፈጺሞም ክብሉ ነበርቲ ሓቢሮም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሃረር ኣብ ከባቢ ፋብሪካ ቢራ ሃረር ዝሰፈሩን እቲ ከባቢ ንዓና ይግብኣና እዩ ዝበሉን መንነቶም ዘይተፈልጡ ውልቀሰባት ኣብ ልዕሊ ነበርቲ እቲ ከባቢን ኣባይትን መጥቓዕቲ ምፍፃሞም ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም። “ንዝኾነ ይኹን ብሄር ዘይውክሉ መሬት ይግብኣና እዩ ብዝብል ካብ ካልእ ከባቢ መፂኦም ብምስፋር ኣብቲ ከባቢ ናይ ዝነብሩ ሰባት ኣባይቲ ኣፍሪሶምን ጉድኣት ኣውሪዶም እዮም።ገዛውቲ ከፍርሱ ከለው ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝነብሩን ወነንቲ ኣባይትን ግጭት ፈጢሮም እዮም”ክብሉ ሓደ ካብ ነበርቲ ሓቢሮም። ኣካላዊ መጥቓዕትን ምፍራስ ኣባይትን ዝወረዶም ብብሄር ዝተፈለዩ ሰባት ዘይኮኑስ ኩሎም ነበርቲ እቲ ከባቢ ግዳያት ምዃኖም እቶም ናይ ዓይኒ ምስክር ገሊፆም። ፖሊስ ሃረር እቲ መጥቓዕቲ ክፍፀም ከሎ ስቕ ኢሉ ይሪኦም ከምዝነበረ ካልእ ናይ ዓይኒ ምስክር ገሊፆም። እቲ ፀገም ብውልቀሰባት ዝተልዓለ ግጭት እዩ ዝበሉ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ረመዳን ዑመር ግን ፖሊስ መፍትሒ ንምምፃእ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%88%A8%E1%88%AD-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2-%E1%8D%8B%E1%89%A5%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%89%A2%E1%88%AB-%E1%8B%AD%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8A%93-%E1%8B%A9-%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8B%8D%E1%88%8D%E1%89%80%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%9E%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/4816029.html"} {"headline":"ሰራሕተኛታት ኢንዳስትሪ ፓርክ ሃዋሳ ስራሕ ደው ናይ ምባል አድማ አካይዶም","content":"ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰራሕተኛታት ኢንዱስትሪ ፓርክ ሃዋሳ ሎሚ ረቡዕ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ኣካይዶም። እቶም ሰራሕተኛታት ነቲ ኣድማ ዘካየዱ ብተደጋጋሚ እዋን ዝሓተትናዮ ወሰኽ ደሞዝ ምላሽ ብዘይምርካቡ እዩ ኢሎም ። እቶም ሰራሕተኛታት ብተወሳኺ ድሕንነቶም ሓለዋ ስለ ዘይተገበረሎም ንፆታዊ ዓመፅን ዘረፋን ይቃልዑ ከምዘለው እውን ገሊፆም። ኣካያዲ ስራሕ ኢንዱስትሪ ፓርክ ሃዋሳ ኣቶ በላይ ሃይለሚካኤል እቲ ፀገም ከምዘሎ ብምግላፅ ምምሕዳራት ሓድ ሓደ ኩባንያታት ክመሓይሹ ከምዝተነግሮም ግን ድማ ፍታሕ ከምፅኡ ብዘይምክኣሉ ዝፍፀም በደል እዩ እዩ ኢሎም።ኣብቲ ኢንዱስትሪ ፓርክ ልዕሊ 20 ኩባንያታትን ልዕሊ 20 ሽሕ ሰራሕተኛታትን ከምዘለው እውን ኣቶ በላይ ገሊፆም ኣለው። ሎሚ ረቡዕ ንዝነበረ ምስሕሓብ ንምፅብፃብ ናብቲ ቦታ ዝተጉዓዙ ጋዜጠኛታት ድምፅን ምስልን ከይወስዱ ከምዝተኸልከሉ እውን ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ከተማ ሃዋሳ ሓቢሩ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%8A%95%E1%8B%B3%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%8A%AD-%E1%88%83%E1%8B%8B%E1%88%B3-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%8A%A0%E1%8B%B5%E1%88%9B-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D\/4815969.html"} {"headline":"ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ፎርማጆ ሎሚ አዲስ አበባ ኣትዮም","content":"ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ፎርማጆ ሎሚ አዲስ አበባ ኣትዮም። ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ተራኺቦም ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃን ክልቲኣዊ ዝምድናን ምዝርራቦም መሓውራት ውሽጢ ሃገር ኢትዮጵያ ሓቢረን። ዑደት ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ አካል’ቲ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም ንምስፋንን ቁጠባዊ ዝምድና ንምሕያልን ዝጀመርዎ ዲፕሎማሲያዊ ምንቅስቃስ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%88%93%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8B%93%E1%89%A5%E1%8B%B1%E1%88%8B%E1%88%82-%E1%88%98%E1%88%93%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8D%8E%E1%88%AD%E1%88%9B%E1%8C%86-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%88%9D\/4814559.html"} {"headline":"\"ሓያሎ ኣመሪካውያን እሱራት እንተላይ 4 ኣባላት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራን ካልኦትን ክፍትሑ'ዮም ዝብል ተስፋ ኣለኒ\" ኣባል ባይቶ ካረን ባስ","content":"ብኣባል ባይቶ ኣሜሪካ ካረን ባስ ዝተመርሐን ሓደስቲ ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ዮሴፍ ንጉሰን ሶማልያዊት ኣሜሪካዊት ኢልሃን ዑመርን ዝርከብዎ ልኡኽ ባይቶ ኣሜሪካ ንፈለማ ግዜ ድሕሪ 14 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ምብጽሑ: ምስታ ንነዊሕ ተነጺላ ዝጸንሐት ሃገር ጥቡቕ ርክብ ንምግባር ምዃኑ ተገሊጹ። ኒው ዮርክ ታይምስ ንመብርሂ ንኣሶስየትድ ፕረስ ጠቒሱ ኣብ ዘስፈሮ ዓንቀጹ: ልኡኽ ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ ነዚ ዝገለጹ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እዩ። ኣብ ጉዳያት ወጻኢ ባይቶ ኣሜሪካ ኣባል ኮሚቴ ኣፍሪቃ ዝኾና ካረን ባስ: ኤርትራ ሚስጢራዊት ኮይና ምጽንሓ ሓቢረን። ሓድሽ'ውን እንተኾነ ይፈልጥ እየ ክሳብ ሕጂ ምምዕርራይ ኣይተራእየን ድማ ኢለን። ንሰን ብተወሳኺ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ተስፋ እገብር እቲ ጽገና ክግበር ኢለን። እተን ኣባል ባይቶ ንጉዳይ ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ዝርከቡ ኣሜሪካውያንን ኤርትራውያንን ብዝምልከት ኣብ ኤርትራ ተቐይዶም ዝርከቡ ኣርባዕተ ኣባላት ኤምባሲ ኣሜሪካ ክፍትሑ እዮም ኢለን። ንሰን ብዘይካ'ዚ እቶም እሱራት እንተላይ ካልኦት ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ብቕልጡፍ ከምዝፍትሑ ምሕባረን ኣሶስየትድ ፕረስ ኣብ ዘስፈሮ ሓበሬታ ገሊጹ። ሶማልያዊት ኣሜሪካዊት ኣባል ባይቶ ኢልሃን ዑመር ብወገና ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ዝወረደ ሰላም ብሓፈሻ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ከምዝመሰጣ ገሊጻ። ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ኣብ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ዝኾኑ ቲቦር ናጊ ብወገኖም: ዝሓለፈ ዓመት ንፈለማ ኣብ ኤርትራ በጺሖም ምስ ፕረዚደንት ኢሰያስ ድሕሪ ምርኻቦም: ዝምድና ኤርትራን ኣሜሪካን ካብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ብዘይፍለ ምውቕ ክኸውን ተስፋ ከምዘለዎም ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8B%AB%E1%88%8E-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A5%E1%88%B1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%AD-4-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A6%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%91-%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%AB%E1%88%A8%E1%8A%95-%E1%89%A3%E1%88%B5\/4814081.html"} {"headline":"መበል 123 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ ብድምቀት ተዘኪሩ","content":"ብቀዳም ኣብ ዝተኻየደ በዓል ዓወት ዓድዋ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑፀሩ ነበርቲ ከተማ ዓድዋን ከባቢኣን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ብተወሳኺ ድማ ዜጋታት ዝተሳተፍሉ ነይሩ። መበል 123 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብቲ በዓል ጠመተ ዝገበረ ናይ ሙዘቃ መድረኽ፣ ምርኢት ፎቶ፤ ዘተ ብተወሳኺ ድማ ውድድር ጉያን ጉዕዞ እግሪ ብምክያድ እዩ ተዘኪሩ። ካብ ኣዲስ ኣበባ ብእግሪ ን53 መዓልታት ብእግሪ ተጓዒዞም ዓድዋ ካብ ዝበፅሑ ኣክሱማዊት ግርማ ሓንቲ እያ በቲ ጉዕዞ ሓድነት ህዝብታት ናሰብኽና ኣብ ዓድዋ በፂሕና ትብል። ነባሪ ከተማ ዓድዋ ዝኾኑ ኣይተ ገብረዮውሃን ገብረእግዚኣብሄር ድማ በዓል ዓወት ዓድዋ ደሚቑ በብዓመቱ ከምዝኽበር ብምግላፅ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ይረአ ንዘሎ ፀገም ንፈትሖ ሓድነትና ብምሕያል እዩ ኢሎም። ዶክተር ክንፈ ኣብርሃ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ስነ ህዝቢ እዮም ዓወት ዓድዋ ዓወት ህዝቢ እምበር ዓወት ውልቀ ሰባት ኣይኮነን ኢሎም ይዛረቡ። ኣብቲ መድረኽ ዘረባ ዘስምዑ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዓወት ዓድዋ ዓቕሚ የብሎምን ተባሂሉ ዝዝረበሎም ህዝብታት ንሓባራዊ ዕላማ ተተላዒሎም ብሄር ይኹን ሃይማኖት ከይፈላለዮም ዘይግመት ውፅኢት ከመዝግቡ ከምዝኽእሉ ምስክር እዩ ኢሎም። No media source currently available ንሶም ወሲኾም እዚ ዓወት ኩሎም ኢትዮጵያውያን ዓቕሞም ኣዋዲዶም ዝተሳተፍሉ ናይ ኩሉ ህዝቢ ዓወት እዩ ክብሉ ገሊፆም። ብብዝሒ መሳርሒ፤ ህዝብን ዓድን ምጭቋን ከምዘይከኣል ድማ ዘመስከረ እዩ ኢሎም። ዶክተር ደብረፅዮን ህዝቢ ትግራይ እውን እቲ ኲናት ዝተኻየደ ኣብ መሬቱ ብምዃኑ ልዑል መስዋእትነት ዝኸፈለሉ ዓወት እዩ ክብሉ ተዛሪቦም። ምስ ውዕል ውጫለ ኣተሓሒዞም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ድማ ኣብዚ ሐዚ እዋን መንግስቲ ምስ ወፃኢ ሃገራት የካይዶ ዘሎ ስምምዕ ጥንቃቐ ክገብር ከምዝግባእ ዘመላኽት እዩ ክብሉ ተዛሪቦም። \"ንኲናት ዓድዋ ኣብቲ ሽዑ እዋን መበገሲ ካብ ዝኾነ ውዕል ውጫለ እውን ግቡእ ትምህርቲ ክንቐስም ይግባአና። ምስ ወፃኢ ሃገራት ዝካየድ ስምምዕ ብጥንቃቐ ክፍፀም ከምዝግባእ፤ ኣብ ውዕል ዝሰፍሩ ናይ ቃላት ትርጉም ናይ ሓደ ሃገር ልኡላዊነት ኣሕሊፉ ክሳብ ምሃብ ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ኲናት እውን ዘእትው ምዃኑ ተማሂርና ኩሎም ስምምዓት ሃፂፅካ ወይ ብዕሽተኝነት ዘይኮነስ፤ ብልዑል ጥንቃቐን ሓላፍነትን ኩሎም ወገናት ብምስታፍ ክፍፀም ከምዝግባእ ውዕል ውጫሌ የምህረና\" እዮም ኢሎም። ኣብ ዓድዋ ንዝህነፅ ፓን ኣፍሪካን ዩኒቨርስቲ ኩሉ ሓገዙ ከበርክት ይግባእ ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን መንግስቲ ትግራይ ንህንፀት እቲ ዩኒቨርስቲ 250 ሚሊዮን ብር ንምብርካት ምውሳኑ ድማ ተዛሪቦም። ፕረዝደንት ፌደራላዊት ዴሞክራስን ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ወ\/ሮ ሳህለወርቅ ዘውዴ ናይ በዓል ናይ ክብሪ ጋሻ ብምዃን ኣብቲ መድረኽ ተሳቲፈን እየን። ንኩሎም ኢትዮጵያውያን ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ድሕሪ ምሕላፈን ዓወት ዓድዋ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ዓወት ኢትዮጵያውያን እዩ ኢለን። ድሕሪ ዓወት ዓድዋ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመፀ ለውጢ እንትገልፃ መንግስታት ወፃኢ ምስ’ዛ ሃገር ርክብ ንምጅማር ድልየት ዘርኣየሉ ኩነታት ምፍጣሩ ገሊፀን። ብተወሳኺ እቲ ዓወት ኣብ ካልኦት ሃገራት ፀረ ባዕዳዊ መግዛእቲ ምንቅስቓስ ንምጅማር መሰረት ኮይኑ ኢለን።ብሓድነት ደው እንተኢልና ፀገማት ምሕላፍ ከምንኽእል ምልክት እዩ ክብላ ተዛሪበን። ኢትዮጵያውያን ኣፈላላይ ዋላ ኣብ ዘለዎም ግዜ እውን ኣብ ጉዳይ ሃገር ግና ዘይፈላለዩ ምኻኖም ዘርኢ ታሪኽ እዩ ኢለን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%A0%E1%88%8D-123-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%8B%93%E1%8B%B5%E1%8B%8B-%E1%89%A5%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%89%80%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%8A%AA%E1%88%A9\/4812939.html"} {"headline":"ብኣባል-ባይቶ ካረን ባስ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ባይቶ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣካይዱ","content":"እቲ ብኣደመንበር ንኡስ ኮሚቴ ኣፍሪቃ ካረን ባስ ዝተመርሐን፡ ሓደሽቲ ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ፡ ማለት ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ዮሴፍ ንጉሰን ሶማልያዊት ኣሜሪካዊት ኢልሃም ዑመርን ዝሓዘን ጉጅለ ልኡኽ ባይቶ ኣሜሪካ፡ ምስ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ፡ ፕረዚደንታዊ ኣማኻሪ የማነ ገብረኣብ፡ ሓላፊ ቁጠባ ህግደፍ ሓጎስ ገብረሂወት ከምኡ`ውን ምስ ሚንስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ተራኺቡ ምዝርራቡ ሚንስትሪ ዜና ኤርትራን ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣስመራን ሓቢሩ። ሓደ ጉጅለ አባላት ባይቶ ኣሜሪካ፡ ናብ ኤርትራ ወግዓዊ ምብጻሕ ክፍጽም ድሕሪ 14 ዓመታት ንመጀመርያ ግዜ ምዃኑ፡ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣስመራ ዝወጸ ሓበሬታ የመልክት። ኣባል ባይቶ ኤልሃም ዑማር ኣብ ዝለኣኸቶ ናይ ትዊተር መልእኽቲ፡ ካብ መንጎ ኤርትራ ዝበጽሕ ዘሎ ቀዳማይ ኣሜሪካዊ ጉጅለ ልኡኽ ምዃነይ ኩርዓት ይሰምዓኒ፡ ንሰላምን ፍትሕን`የ ዝቃለስ-ምኽንያቱ-ሰላም ዘስተማቕሩ እቶም ብስቓይ-ኩናት ዝተሞከሩ`ዮም ኢላ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%AB%E1%88%A8%E1%8A%95-%E1%89%A3%E1%88%B5-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8A%A3%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/4812505.html"} {"headline":"ፕረ. ኢሳያስ ኣፈወርቂን ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድን ንናይ ሓደ መዓልቲ ወግዓዊ ዑደት ደቡብ ሱዳን በጺሖም","content":"ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድን ሎሚ ሶኑይ ንናይ ሓደ መዓልቲ ወግዓዊ ዑደት ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝኣተውሉ ምስ ፕረዚደንት`ታ ሃገር ሳልቭኬር ማድርየት ሰፊሕ ልዝብ ምክያዶም ኣብ ዘውጽእዎ ሱሉሳዊ ሓባራዊ መግለጺ ሓቢሮም። ሰለስቲኦም መራሕቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላም ንምስፋን ምትሕብባሮም ክቕጽሉ ኣብ ዝብል ጉዳይ ጸቒጦም ዝተዘራረቡ ክኾኑ ከለው ኣብ ዞባዊን ኣህጉራዊ ጉዳያት`ውን ምዝርራቦም ተፈሊጡ`ሎ። ብተወሳኺ ዞባዊ ቑጠባዊ ውህደትን ብልጽግናን ዘጎናጽፉ ፕሮጀክትታት ብዝምልከት ኣትኵሮም ምዝርራቦም እቲ መግለጺ ሓቢሩ`ሎ። No media source currently available ኣቐዲሞም ትማሊ ሰንበት መራሕቲ ኤርትራ፣ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ኣስመራ ርክብ ኣካይዶም ኔሮም`ዮም። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታን ኣብ ኣስመራ ስሉሳዊ ርክብ ኣብ ዘካየድሉ እዋን፡ ኣብ መንጎ ሰለስቲኤን ሃገራት ንዘሎ ሓባራዊ ሽርክነታዊ ዝምድናን ንሰለስቲኦም ኣብ ዘገድሱ ዞባዊ ጉዳያትን ዝርርብ ኣካይዶም። ብመሰረት ዘካየድዎ ዝርርብ ኣብ መዳይ ቁጠባ፣ጸጥታን ሰላምን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ትሕተ ቅርጽን ብሓባርን ሽርክነትን ክሰርሑ ኣብ ዘኽእሎምነጥብታት ኣብ ስምምዕ ምብጽሖም መንግስታዊ ጸብጻባት ይሕብሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%82%E1%8A%95-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%8B%88%E1%8C%8D%E1%8B%93%E1%8B%8A-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%89%A0%E1%8C%BA%E1%88%96%E1%88%9D-\/4812487.html"} {"headline":"ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ጎብለል ዙር ሩዋንዳ ኮይና","content":"ካብ 28 የካቲት ክሳብ ትማሊ 03 መጋቢት ዝተኻየደ ዙር ርዋንዳ 2019 ሃገራዊት ሃገራዊት ጋንታ ብሽክለታ ኤርትራ ተዓዋቲት ኮይና። ብመሰረት ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ምስ ካልኦት 15 ሃገራውያን ጋንታታትን ክለባትን ገጢማ ኣብ ዘካየደቶ ዙር ርዋንዳ ብ 72 ሰዓትን 49 ደቒቕን 16 ካልኢትን እያ ነቲ ዝተሰርዓላ ሸሞንተ መድረኻት ቀዳመይቲ ኮይና ዛዚማቶ። ኣብቲ ዝተኻየደ ውድድር ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ያቆብ ደበሳይ ኣንበሳ ዓቐበትን ብሉጽ ተቐዳዳማይን ተባሂሉ ብኽልተ ደረጃታት ክርቛሕ እንከሎ: ኣባል ክለብ ኣስታና ኤርትራዊ መርሃዊ ቁዱስ ድማ መሪሕነት ሒዙ ወናኒ ብጫ ማልያ ኮይኑ ነቲ ውድድር ዛዚሙ። መርሃዊ ቅዱስ ብውህሉል ሓፈሻዊ ነጥቢ መሪሕነቱ ዓቂቡን ኣብ ክልተ መድረኻት ቀዳማይ ኮይኑ ዝተሰርዓሉ ውድድር ብምዝዛሙ እዩ ወናኒ ብጫ ማልያ ዙር ሩዋንዳ ኮይኑ። ንሱ ዋላ'ኳ ብዘጋጠሞ ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ዓሰርተ ነጥቢ እንተኸሰረ፤ ክሳብ መወዳእታ ብዘካየዶ ብሉጽ ምንቅስቓስ ብውህሉል ነጥቢ ተዓዋቲ ኮይኑ ወናኒ ብጫ ማልያ ክኸውን በቒዑ። ናይ ዝሓለፈ ዓመት 2018 ብሉጽ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ኣፍሪቃ ርዋንዳዊ ጆሴፍ ኣረሩያ ይኹን ናይ 2017 ተዓዋቲ ዙር ርዋንዳ ደልኮ ማርሰይለስ ካብቶም ነዚ ናይ ሎም ዘበን ዙር ርዋንዳ ክዕወቱሉ ዝለዓለ ተስፋ ተነቢርሎም ዝነበሩ’ዮም። No media source currently available ብሓፈሻ ንዙር ርዋንዳ 2019 ዝዓብለልዎ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ተዳልዩ ካብ ዝነበረ ሾሞንተ መድረኻት ኣብቲ ኣርባዕተ ብምዕዋትን ተቐሪበን ካብ ዝነበራ ሽዱሽተ ማልያታት ነተን ሓሙሽተ ብምልባስ ድሙቕ ውጽኢት ከምዘመዝገቡ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። ሓፈሻዊ ሰሌዳ ዕውታት ዙር ርዋንዳ 2019 ኣብ ዙር ርዋንዳ 2019 ፥ ብደረጃ ጋንታታት ((Team Classification) ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ጎብለል ኮይና ተዓዊታ። ጃፓናዊት ኣካዳሚ ብሽክለታ ኢንተርፕን ክለብ ኣስታናን ድማ ናይ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዘን። ኣብ ደረጃ ሓፈሻዊ ውህሉል ብሉጻት ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ (Best African General Classification) ድማ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ መርሃዊ ቅዱስ ሲራክ ተስፎምን ያቆብ ደበሳይን ብተኸታታሊ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዘሎ ደረጃ ሒዞም ተዓዊቶም። መርሃዊ ቁዱስ ብናይ ኣርባዕተ ካልኢት ፍልልይ እዩ ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ። ብዘይካ’ዚ ተቐዳዳምይ ሲራክ ብወገኑ ኣብ ልዕሊ ያቆብ ደበሳይ ናይ ክልተ ካልኢት ፍልልይ ብምንጻፍ’ዩ ካልኣይ ኮይኑ ክዕወት ዝኸኣለ። ኣብ ደረጃ ብሉጽ ኣፍሪቃዊ መንእሰይ (Best Young General Classification) ተቐዳዳማይ ኤርትራዊ ያቆብ ደበሳይ ቀዳማይ ኮይኑ ክዕወት እንከሎ፤ ተቐዳደምቲ ጆሴፍ ኣረሩያን ጀረሚ በለኩያን ድማ ድሕሪ ያቆብ ደበሳይ ካልኣይ ሳልሳይን ደረጃ ሒዞም ተዓዊቶም። ኣብ ደረጃ ኣንበሳ ዓቐበት (Mountain King Classification) ኤርትራዊ ያቆብ ደበሳይ ክዕወት እንከሎ ሩዋንዳዊ ሙሴ ሙገሻ ካልኣይ ፈረንሳዊ ኣድርያን ጉልዩነት ድማ ሳልሳይ ኮይኖም ተዓዊቶም። ኣብ ደረጃ ሓፈሻዊ ነጥቢ (General Classification)ኣባል ክለብ ኣስታና ዝኾነ ኤርትራዊ መርሃዊ ቁዱስ ቀዳማይ ብምዃን ወናኒ ብጫ ናይ መሪሕነት ማልያ ክውንን እንከሎ፤ ረነ ታራመ ካልኣይ ማቲዮ ባዲላት ድማ ሳልሳይ ኮይኖም እዮም ነቲ ውድድር ዛዚሞሞ። ኣብቲ ኣብ ዙር ርዋንዳ ኣብ ደረጃ ቅጽበታዊ ውድድር (Sprints Classification) ንዝተኻየደ ድማ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሮሃን ዱ ፕሎይ ቀዳማይ ቲምቲ ራግ ካልኣይ ከምኡውን ኤርትራዊ ያቆብ ደበሳይ ሳልሳይ ኮይኖም ተዓዊቶም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8C%8B%E1%8A%95%E1%89%B3-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8C%8E%E1%89%A5%E1%88%88%E1%88%8D-%E1%8B%99%E1%88%AD-%E1%88%A9%E1%8B%8B%E1%8A%95%E1%8B%B3-%E1%8A%AE%E1%8B%AD%E1%8A%93\/4812405.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ዘካይዱ ዘለው ፕረ. ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ኢንዳስትሪያል ፓርክ ሃዋሳ በጺሖም","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድን ናይ ኬንያ ፕረዚዳንት ኡሁሩ ኬንያታን ኣብ ሃዋሳ ኢንዱስትሪ ፓርክ ዑደት ኣካይዶም። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኬንያ ዑደት ኣብ ዘካየድሉ እዋን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ቁጠባዊ ርክብ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምድያብ ተሰማሚዖም ነይሮም። ናይ ፕረዚዳንት ኡሁሩ ዑደት እቲ ስምምዕነት ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ክሰጋግሮ እዩ ዝብል እምነት ከምዘሎ ናይቲ ፓርክ ኣካይዲ ስራሕ ኣቶ ፍፁም ከተማ ገሊፆም። ሎሚ ንወግዓዊ ዑደት ኣዲስ ኣበባ ዝኣተው ፕረዚዳንት ኡሁሩ ኬንያታ እተን ሃገራት ርክባተን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክብ ንምባል ቁጠባዊ ምትእስሳር ንምሕያል ተዋዲዶም ክሰርሑ ከምዘለዎም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓቢሮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8A%A1%E1%88%81%E1%88%A9-%E1%8A%AC%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%89%B3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%8A%95%E1%8B%B3%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA%E1%8B%AB%E1%88%8D-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%8A%AD-%E1%88%83%E1%8B%8B%E1%88%B3-%E1%89%A0%E1%8C%BA%E1%88%96%E1%88%9D\/4809751.html"} {"headline":"ስርዓተ ቀብሪ ድምፃዊ ኣሚር ዳዉድ ተፈፂሙ","content":"ብዝሓደሮ ሃንደበታዊ ሕማም ዝዓረፈ ድምፃውን ደራሲ ግጥምን ዜማን ዓሚር ዳውድ ስነስርዓት ቀርቡ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ከተማ መቐለ ተፈፂሙ። ብዝተፈላለዩ ጣዕመ ዜማታቱ ዝፍለጥ ድምፃዊ ዓሚር ኣብ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ክሕከም ድሕሪ ምፅንሑ ትማሊ ለይቲ እዩ ዓሪፉ። ድምፃዊ ኣሚር ዳዉድ ብኣስታት 400 ሽሕ ብር ወፃኢ ዘሐተማ ካሴት ሸይጡ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ካብ ዝተፈላለዩ ካባቢታት ኢትዮጵያ ንዝተመዛበሉ ተጋሩ ከምዘወፈየ ተፈሊጡ’ሎ። ስነ ስርዓት ቀብሪ ድምፃዊ ኣሚር ዳዉድ ስድርኡን ኣድነቕቱን ኣብዝተረኸብሉ ኣብ ከተማ መቐለ ሎሚተፈፂሙ ኣሎ። ኣሚር ዳውድ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑን እዩ ነይሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%89%B0-%E1%89%80%E1%89%A5%E1%88%AA-%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8D%83%E1%8B%8A-%E1%8A%A3%E1%88%9A%E1%88%AD-%E1%8B%B3%E1%8B%89%E1%8B%B5-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8D%82%E1%88%99\/4809565.html"} {"headline":"ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ግብረ መልሲ ዓቓብ ሕጊ ኣብ ክሲ ተቓውሞ ኣቶ ኢሳያስ ሰሚዑ","content":"ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኣቶ ኢሳያስ ዳኛው ንዘቕረቡዎ ናይ ኽሲ ተቓውሞ መልሲ ዓቃቢ ሕጊ ሎሚ ዓርቢ ሰሚዑ። ልደታ ምድብ መበል 15 ዝወዓለ መጋባእያ ገበን ኣቶ ኢሳያስ ዳኘው ብጠበቕኦም ኣቢሎም ብቕድሚ ትማሊ ናይ መጀመሪያ ደረጃ ተቓውምኦም ብቓል ከምዘስምዑ ብምግላፅ ዓቃቢ ሕጊ እውን መልሲ ብቓል ከስምዕ ሓቲቶም። ዓቃቢ ሕጊ ብወገኑ ክርክሩ ብፅሑፍ ከምዘቕረበ ምስ ገለፀ እቲ ቤት ፍርዲ ግን ጠበቓ ተኸሳሲ ክርክሮም ብቓል ብግልፂ መጋባእያ ስለዘቕረቡ ዓቃቢ ሕጊ እውን መልሱ በዚ ኣገባብ ከቕርብ ኣዚዙ።ዓቃቢ ሕጊ ብፅሑፍ ዘዳለዎ ክርክር ብምንባብ ከምዘቕርብ ብምግላፅ ምላሹ ብንባብ ኣስሚዑ’ሎ። ንዝቐረቡ ተቓውሞታት መልሲ ብምሃብ ገበን ዝተፈፀመሉ እዋን ኣይተዘርዘረን ንዝብል ተቓውሞ ግን ብምቕባል እቲ ጉድለት ንምምሕያሽ ግዜ ክውሃቦ ናይ ክሲ መመሓየሺ ከቕርብን ተለዋጢ ቖፀሮ ክውሃቦን ዓቃቢ ሕጊ ሓቲቱ።እቲ ቤት ፍርዲ ናይ ክልቲኦም ወገናት ሙግት መርሚሩ ውሳነ ንምሃብ ን29 ለካቲት 2011 ዓ.ም ቆፀሮ ሂቡ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8B%E1%8B%AD-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%8B%93%E1%89%93%E1%89%A5-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%B2-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%88%9E-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%88%A8%E1%89%A0-%E1%88%B0%E1%88%9A%E1%8B%91\/4809556.html"} {"headline":"ዝመሓየሽ ዘሎ ረቒቕ ሕጊ ንናይ ጸረ ሽበራ ሕጊ ፈጺሙ ዝስዕር'ዩ ተባሂሉ","content":"ኣዋጅ ረቂቕ ፀረ-ሽብራ ንናይቲ ዝነበረ ሕጊ ዘመሓይሽ ጥራሕ ዘይኮነስ ፈፂሙ ዝስዕር እዩ ክብሉ ነቲ ረቂቕ ዘቕረበ ግብረ-ሓይሊ ኣቦ መንበር ሓቢሮም።እቲ ግብረ-ሓይሊ ኣብዘዳለዎ ረቂቕ ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ቀሪቦም ኣለው።እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ናብ ዓቃቢ ሕጊ ከምዝምራሕ እውን ገሊፆም ኣለው። ነቲ ሕጊ ንምምሕያሽ ብዝተጣየሸ ግብረ-ሓይሊ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ዝተኻየደ ምይይጥ ምናልባሽ ናይ መወዳእታ ክኸውን ከምዝኽእል ናይቲ ግብረ-ሓይሊ ኣተሓባባሪ ኣቶ ኣምሃ መኮነን ገሊፆም። ንሶም እቲ ዝነበረ ሕጊ ምሉእ ብምሉእ ተሳዒሩ ንዕኡ ዝትክእ ሓዱሽ ረቂቕ ሕጊ ከምዝቐረበ ኣቶ ኣምሃ ገሊፆም።እቲ ናይ ቀደም ሕጊ ምሉእ ጠመትኡ ንግብረሽብራ ብብቕዓት ምክልኻል፣ምውጋእ ዝብል ከምዝነበረን ኣብ ከይዲ መሰል ንፁሃን ዜጋታት ከይሸራርፍ ተጠርጠርቲ ጉድኣት ከይወርዶም ዝብል ከምዘይነበሮ ሓቢሮም። ብዛዕባ’ቲ ሓድሽ ረቒቅ ድማ ከምዚ ኢሎም “እዚ ሕጂ ዝወፀ ሕጊ ግን ካብ መጀመሪያ፣ካብ መእተዊ ናይዚ ሕጊ ሓደ ዕላማ ዝሓዘ’ዩ ናይ ዜጋታት ሰብኣዊ መሰላት ምኽባር ክኽበር ምግባርን” ኢሎም። ኣቶ ኣምሃ ወሲኾም እቲ ሕጊ ንምትርጓም ይኹን ንምፍፃም ስልጣንን ሓላፍነትን ዘለዎም ትካላት ኢትዮጵያ ብዓለምለኸ ደረጃ ተቐባልነት ዘለዎም ሕግታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ግምት ብምእታው ክኸውን ከምዘለዎ ዘቐመጠ እዩ ኢሎም ። “ኮነ ኢሉ ወይ ብሸለልተኝነት ነዚ ሕጊ ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ጉድኣት ዘውርድ ኣካል ሽዑ ንሽዑ ብምምሕዳር፣ብገበን ከምኡ እውን ብፍታብሄር ተሓታቲ ዝኾነሉ ኣገባብ ተቐሚጡ’ሎ።” ኣብቲ ምይይጥ ካብ ዝተሳተፉ ገሊኦም ኣብዝሃብዎ ርእይቶ እቲ ሕጊ ካብቲ ዝሓለፈ ዝተፈለየ ሓድሽን ዝምስገንን እዩ ኢሎም ኣለው።ጉድኣት ዝወረዶም ንፁሃን ተጠርጠርቲ ዝክሓስሉ ኣብቲ ረቂቕ ዝተቐመጠ ዓንቀጽ ዝንኣድ ከምዝኾነ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ገሊፆም። ኣቶ ኣምሃ መኮነን ከምዝገለፁዎ ግን ፅቡቕ ሕጊ ምውፃእ ናይ መወዳእታ ስራሕ ኣይኮነን።እቲ ሕጊ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ኣብ ዘረጋግፁ ተቋማት እውን ተመሳሳሊ ለውጢ ክህሊ ኣለዎ ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%A8%E1%88%BD-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%88%A8%E1%89%92%E1%89%95-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8A%95%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8C%B8%E1%88%A8-%E1%88%BD%E1%89%A0%E1%88%AB-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%99-%E1%8B%9D%E1%88%B5%E1%8B%95%E1%88%AD-%E1%8B%A9-%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%82%E1%88%89\/4808270.html"} {"headline":"ጋንታ ኩዕሶ እግሪ መንእስያት ኤርትራ ምስ ጋንታ መንእሰያት ሩስያ ዘካይድዎ ሕውነታዊ ግጥም 4ብ1 ተዓዊታ","content":"ጋንታ ኩዕሶ እግሪ መንእሰያት ሩስያ: ምስ ሃገራዊት ጋንታ መንእሰያት ኤርትራ ሎሚ 28 ለካቲት 2019 ኣብ ስታድዩም ኣስመራ ምሕዝነታዊ ግጥም ኣካያዳ። ኣብቲ ሃገራዊት ጋንታ መንእሰያት ኤርትራ 4 ብ 1 ዝተዓወተትሉ ግጥም፣ብርክት ዝበሉ ኣፍቀርቲ ኩዕሶ ከተማ ኣስመራ ተረኺቦም: ነቲ ግጥም ተዓዚቦሞ። እዚ ብምክትል ኣመሓዳሪ ዞባ ሰቨርድሎቭስኪ ሩስያ ሚስተር ሰርጌ ቢዶንኮ ዝተመርሐ ልኡኽ መንግስቲ ሩስያ፣ ሎሚ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ሓባራዊ ወፍርን ንግድን፣ጸዓት፣ትሕተ ቅርጺ ማይ፣ጥዕና መድሃኒትን ስፖርትን ዘተኮረ ምይይጥ ኣካይዱ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8B%E1%8A%95%E1%89%B3-%E1%8A%A9%E1%8B%95%E1%88%B6-%E1%8A%A5%E1%8C%8D%E1%88%AA-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B5%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8C%8B%E1%8A%95%E1%89%B3-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%88%A9%E1%88%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B5%E1%8B%8E-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%8C%8D%E1%8C%A5%E1%88%9D-4%E1%89%A51-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%8A%E1%89%B3\/4808095.html"} {"headline":"ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ን5ይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ተዓዊቱሉ","content":"ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ብዕድመ ካብ ኩሎም ተሳተፍቲ ዙር ርዋንዳ ንኡስ ዝኾነን ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ኣብ ሓሙሻይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ተዓዊቱ። ተቐዳዳማይ ቢንያም ነቲ ካብ ካሮንጊ ናብ ሙሳንዚ ዝተሰርዓሉ 138.7 ኪሎ ሜተር ዝሸፈነ ሓምሻይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ብ 03:42:01 ግዜ ከምዝዛዘሞ ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ብመሰረት ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዛጊት ብጫ ናይ መሪሕነት ማልያ ኣብ ዝባን ኣባል ክለብ ኣስታና ዝኾነ ኤርትራዊ መርሃዊ ቁዱስ ትርከብ። ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተኻየዱ ሓሙሽተ መድረኻት እተን ሰለስተ መድረኻት ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ማለት መርሃዊ ቁዱስ ንመድረኻት ክልተን ሰለስተን ከምኡውን ቢንያም ግርማይ ንመድረኽ ሓሙሽተ ብምዕዋት ርኡይ ጸብለልታ ኣመዝጊቦም ኣለው። ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ ኣብዚ ናይ ሎሚ ሓሙሻይ መድረኽ ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ከምዘጋጠሞ ክፍለጥ ተኻኢሉ ። እንተኾነ ካብቲ ሓደጋ ተንሲኡ ነታ ኣምሊጣቶ ዝነበረት ዓባይ ጋንታ ኣርኪቡ ነቲ ውድድር ክፍጽሞ ምብቕዑ ተሓቢሩ። በዚ ድማ እታ ናይ መሪሕነት ብጫ ማልያ ዛጊት ኣብ ዝባንቲ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ትርከብ። ትማሊ ዝተኻየደ ራብዓይ መድረኽ ኮሎምብያዊ ተቐዳዳማይ ክለብ እስራኤል ኤድዊን ኣቪላ ከምዝተዓወተሉ ይዝከር። ኣብቲ ውድድር ኣባል ሃገራዊ ጋንታ ኤርትራ ሲራክ ተስፎም ድሕሪ ስጳኛዊ ፓብሎ ሙኖ ሳልሳይ ኮይኑ ድሕሪ ምዕዋቱዩ ወዲ ጋንትኡ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ቢንያም ግርማይ ሎሚ ክዕወት ዝበቕዐ። እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ጂን ክላውድ ኡውዝየ ዝተባህለ ርዋንዳዊ ተቐዳዳማይ ካብቲ ሃገሩ ተአንግዶ ዘላ ውድድር ከምዝወጸ ተገሊጹ። ጂን ክላውድ ኡውዝየ ካብቲ ውድድር ዝወጸሉ ምኽንያት ብወግዒ እኳ እንተዘይተገልጸ ምስ ብድኻም ምስናፉ ዝተኣሳሰረ ከምዝኾነ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ይገልጻ ኣለዋ። ዙር ርዋንዳ ብደረጃ 2.1 ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ካብ ዝርከቡ እቶም ዝበርትዑ ክልተ ዙራት ሓደ እዩ። ነቲ ብደረጃ ዓለም ፍሉጥ ዝኾነ ዙር ፈረንሳይ ማለት ቱር ዲ ፍራንስ ከምዝቀራረቦ ድማ ይሕበር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%89%A2%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%88%9D-%E1%8C%8D%E1%88%AD%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-5%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%8A%BD-%E1%8B%99%E1%88%AD-%E1%88%AD%E1%8B%8B%E1%8A%95%E1%8B%B3-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%8A%E1%89%B1\/4807744.html"} {"headline":"ሽዱሽተ ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ናይ መረዳድኢ ሰነድ ፈሪሞም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ለውጢ ንምዕጻፍ ዝግበር ምንቅስቃስ ንምምካት ግንባር ክንፈጥር አለና ዝበሉ ተፎኻኽርቲ ውድባት ፖለቲካ ናይ መረዳድኢ ሰነድ ተፈራሪሞም። እቶም ፓርቲታት ኢትዮጵያ ዲሞክራሲ ዝዓሰላ ሃገር ክትኸውን ንብዙሕ ዓመታት በበይኖም ክቃለሱ ከምዝጸንሑ’ውን ገሊጾም ኣለው። ግንባር ፈጢሮም ብሓባር ንምስራሕ ዝተሰማምዑን ነቲ ሰነድ ዝፈረሙን ተፎኻኸርቲ ውድባት ናይ መላእ ኢትዮጵያ ሓድነት (መኢኣድ)፡ ኣብዮታዊ ፓርቲ ኢትዮጵያ (ኢህአፓ)፡ ዲሞክራሲያዊ ሕብረት ኢትዮጵያ (ኢድህ)፡ ብሄራዊ ሓድነት ፓርቲ ኢትዮጵያ፡ፍትሓዊ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ህዝብታት ዓፋርን ፓርቲ ነጻነት ህዝቢ ዓፋርን እዮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%BD%E1%8B%B1%E1%88%BD%E1%89%B0-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%88%A8%E1%8B%B3%E1%8B%B5%E1%8A%A2-%E1%88%B0%E1%8A%90%E1%8B%B5-%E1%8D%88%E1%88%AA%E1%88%9E%E1%88%9D\/4806623.html"} {"headline":"ፕረ. ትራምፕን መራሒ ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ካልኣይ ወግዓዊ አኼብኦም ሎሚ ጀሚሮም","content":"ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕን መራሒ ሰሜን ኮሪያ ኪም ጆንግ ኡንን ካልኣይ ወግዓዊ ኣኼብኦም ሎሚ ረቡዕ ኣብ ቪየትናም ሃኖይ ጀሚሮም፤ብሓባር ድማ ድራር ተኣንጊዶም።ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ እቲ ርክብ ዘለዎም ኣወንታዊ ተስፋ’ውን ገሊጾም። ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን መራሒ ኪም ጆንግ ኡንን ባንዴራታት ኣሜሪካን ሰሜን ኮርያን በመስርዕ ኣብ ዝማዕረገሉ ኣብ ዋና ከተማ ሃኖይ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ሶፊተል ለጀንድ ሜትሮፖሌ ወሽመጥ ኮሪያ ካብ ኒኩሌር ነፃ ንምግባር ዝዓለመ ካልኣይ ኣኼብኦም ሎሚ ምሸት ጀሚሮም ኣለው። እዚ ርክብ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ኣብ ሲንጋፖር ናይ ዝተኻየደ ፈላማይ ርክብ መቐፀልታ እዩ። “ምስ ኣቦ ወንበር ኪም ምርኻበይ ክብሪ ይስምዓኒ፣ኣብዚ ኣብ ቬትናም ብኽብሪ ብቀይሕ መንፀፍ ኣብ ዝተቐበሉና ሃገር ምርኻብና ክብሪ ይስምዓኒ።ፈላማይ ርክብና ዕዉት ነይሩ፤እዚ ናይ ሎሚ ድማ ማዕርኡ ወይ ዝበለፀ ክኸውን ተስፋ እገብር።” ክልቲኦም መራሕቲ ንእንግዶት ድራር ኮፍ ካብ ዝበልሉ ኪም ብኣስተርጓሚኦም ኣብዝሃብዎ ርእይቶ እዚ ካልኣይ ኣኼባ ዕዉት ክኸውን እዩ ኢሎም።ትራምፕ እውን በዚ ከምዝሰማምዑ ከምዚ ክብሉ ርእይቶም ሂቦም። “ፅባሕ ፅዑቕ ስራሕ ክፅበየና እዩ፤ምናልባሽ ሓቢርና ምስተደረርና ተስፋ እገብር ብዙሓት ነገራት ክፍትሑ እዮም።ነባሪ ናብ ዝኾነ ፅቡቕ ኩነታት ክመርሐና እዩ።ርክብና ኣዚዩ ፍሉይ ርክብ እዩ።” ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝተኣንገድሉ ድራር ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ማይክ ፖምፒዮን ምንስቴር ጉዳይ ወፃኢ ሰሜን ኮሪያ ሪ ዮንግ ሆን ሓዊሱ ላዕለዎት ኣማኸርቲ ትራምፕን ኪሚን ተረኺቦም ኣለው። ትራምፕ ቅድሚ እቲ ድራር ብቲዊተር ኣቢሎም ኣብ ዝፀሓፉዎ መልእኽቲ ሰሜን ኮሪያ ብቑጠባ ሓያል ክትኸውን ዘኽእላ እዩ ዝበሉዎ ካብ ኒኩሌር ነፃ ንምግባር ንሶምን ኪሚን ብሓባር ክንሰርሕ ኢና ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%88%9D%E1%8D%95%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%92-%E1%8A%AE%E1%88%AD%E1%8B%AB-%E1%8A%AA%E1%88%9D-%E1%8C%86%E1%8A%95%E1%8C%8D-%E1%8A%A1%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A3%E1%8B%AD-%E1%8B%88%E1%8C%8D%E1%8B%93%E1%8B%8A-%E1%8A%A0%E1%8A%BC%E1%89%A5%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%AE%E1%88%9D\/4806594.html"} {"headline":"\"ምርጫ ስርዓት ናይ ኢትዮጵያውያን እንተኾነ፤ ከም ኢትዮጵያ ንዝበሉ ብዙህነት ዘለወን ሃገራት ግና ፌደራሊዝም ዝሓሸ ስርዓት እዩ\" ኣምባ. ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ","content":"ምርጫ ስርዓት ናይ ኢትዮጵያውያን እንተኾነ፤ ከም ኢትዮጵያ ንዝበሉ ብዙህነት ዘለወን ሃገራት ግና ፌደራሊዝም ዝሓሸ ስርዓት እዩ ክብላ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ጀርመን ብሪታ ዋግነር ገሊፀን። ብኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ክልል ትግራይ ብምብጻሕ ምስ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዘትዮም። ኣብ ቤትፅሕፈት ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ\/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝተኻየደ ዘተ ኣብ ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ጠመተ ዝገበረ ምንባሩ እየን እተን ኣምባሳደር ድሕሪ እቲ ዘተ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ ዝተዛረባ ከምኡ ድማ ኣብ መንጐ ጀርመናዊት ከተማ ጐታን ከተማ ዓድዋን ዘሎ ምሕዝነት ንምሕያል ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ዘድሃበ ከምዝዝኾነ ተዛሪበን። እተን ኣምባሳደር ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዕብየት ብተወሳኺ ድማ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘሎ ለውጢ ጀርመን ትድግፎ እያ ኢለን። እቲ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ኣብ ማእኸል ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ እንታይ ከምዝመስል ክንርደኦ ንፅዕር ኢና ኢለን። ምስ ስርዓት ፌደራሊዝም ተተሓሒዙ ድማ ከም ኢትዮጵያ ንዝበላ ብዙህነት ዘለወን ሃገራት ዝበለፀ እዩ ኢለን ከምዝኣምና ብምግላፅ እቲ ናይ ስርዓት ምርጫ ግና ንኢትዮጵያውያን ዝምልከት እዩ ኢለን። ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ጀርመንን ዘሎ ርክብ ነዊሕ ዓመት ዘቑፀረን ሓያልን እዩ ዝበላ ኮይነን እዚ ምሕያል ክቕፅል ድማ ኣተሓሳሲበን። እቲ ትማሊ ዝተኻየደ ዘተ ኣብ ምሕዝነት ከተማታት ዓድዋን ጐታን ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝተጀመረ ክልቲኣዊ ርክብ እተን ከተማታት ንምሕያል ምዃኑ’ውን ተገሊፁ። ከንቲባ ከተማ ዓድዋ ኣይተ ዘስላሰ ዘርኣብሩኽ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ከተማታት ኣብ ሳይንስን ቴክኖሎጂን፣ ምምዕባል ዓቅሚ ሰብ፣ ማሕበራዊ ፀገማት ተሓባቢርካ ኣብ ምፍታሕን ብተወሳኺ ድማ ባህላውን ታሪኻውን ርክባት ንምሕያል ይስራሕ ምህላዉ ገሊፆም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%8A%BE%E1%8A%90-%E1%8A%A8%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%89%A5%E1%8B%99%E1%88%85%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%88%E1%8A%95-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8C%8D%E1%8A%93-%E1%8D%8C%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8A%E1%8B%9D%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%88%B8-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%8A%A5%E1%8B%A9-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3-%E1%8C%80%E1%88%AD%E1%88%98%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/4806426.html"} {"headline":"ደምህት መንግስቲ ንኣባላቱ ዝኣተዎ መብጽዓ ከምዘይፈጸመ ኣፍሊጡ","content":"ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ደምህት) ኣባላተይ ብመንግስቲ ክወሃበኩም እዩ ዝተባህለ መትከሊ እግሪ ክሳብ ሐዚ ብዘይምርካቦም ማሕበራዊ ፀገም የጋጥሞም ኣለዉ ክብል ኣፍሊጡ። በዚ ድማ ካልኦት ፖለቲካዊ ስራሓት ከይንፍፅም ኣፀጊሙልና’ሎ ክብሉ ኣቦ መንበር እቲ ምንቅስቓስ ኣይተ መኮነን ተስፋይ ተዛሪቦም። ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ደምህት) መንግስቲ ብዘቕረቦ ፃውዒት ሰላም ልዕሊ 2500 ኣባላቱ ሒዙ ቅድሚ ኣዋርሕ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ምምላሱ ይዝከር። ዕጥቆም ፈቲሖም ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣተው ኣባላት እቲ ምንቅስቓስ ኣብዚ ሐዚ እዋን ምስ ሕብረተሰብ ተሓዊሶም ይነብሩ ኣለዉ ክብሉ ኣቦ መንበር ደምህት አቶ መኮነን ተስፋይ ሓቢሮም። ንሶም ብተወሳኺ መንግስቲ ነቶም ኣባላት መትከሊ እግሪ ንምሃብ ዝኣተዎ ቃል ክሳብ ሐዚ ኣይፈፀሞን ኢሎም ። ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ እቲ ምንቅስቓስ ኣይተ ጎይተኦም በርሀ እውን ካብ መንግስቲ ክወሃብ እዩ ተባሂሉ ዝነበረ መትከሊ እግሪ ክሳብ ሐዚ ስለዘይተውሃበ ኣባላት እቲ ምንቅስቃስ ከቢድ ማህበራዊ ፀገም የጋጥሞም ከምዘሎ ወሲኾም ገሊፆም። “ክሳብ ሐዚ ብትዕግስቲ ተፀቢና ኢና” ዝበሉ ኣይተ መኮነን ኣብ ቀረባ እዋን መትከሊ እግሪ ንኣባላቶም ዘይውሃብ እንተኾይኑ ብዕሊ መንግስቲ ቃሉ ኣይሓለወን ኢልና ክነፍልጥ ኢና ካብኡ ንደሓር ኣባላትና ዝደለይዎ ክውስኑ ይኽእሉ እዮም ክብሉ ገሊፆም። ኣብ ጉዳይ ምትካል እግሪ ኣባላት ዴምህት ክሳብ ሐዚ ንምንታይ ተዳናጉዩ ንዝብል ካብ መንግሰቲ ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን። ኣቦ መንበር ደምህት አቶ መኮነን ተስፋይ ኣብ ቀረባ እዋን ጉባኤ ብምክያድ ኣንፈት ፖለቲካ ክነቐምጥ ኢና ዝበሉ ክኾኑ ኸለው ክሳብ ሐዚ ምስ ዝኾነ ውድብ ዘተ ይኹን ድርድር ከምዘይጀመሩ እውን ገሊጾም። ኣብ ጉዳይ ምሃብ መትከሊ እግሪ ጠሚቱ ምላሽ መንግስቲ ንምሕታት ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B0%E1%88%9D%E1%88%85%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%95%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B1-%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%8B%8E-%E1%88%98%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%8B%93-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%98-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4800173.html"} {"headline":"ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ ዳግማይ ዓወት መድረኽ ተጎናጺፉ","content":"ኣብ ዙር ሩዋንዳ ዝሳተፍ ዘሎ ኣባል ክለብ ኣስታና ኤርትራዊ መርሃዊ ቁዱስ ዳግማይ ናይ መድረኽ ዓወት ሎሚ ተጎናጺፉ። መርሃዊ ነዚ ዳግማይ ዓወት ዝተጎናጸፈ ካብ ሁየ ናብ ሩባቩ ዝተኻየደን 213.1 ኪሎ ሜተር ርሕቐት ዝሸፈነን ሳልሳይ መድረኽ ዙር ሩዋንዳ ክኸውን እንከሎ: ካብ መቐዳድምቱ በንጢሱ መዛዘሚ መስመር ብምርጋጹ እዩ። ነቲ ውድድር ብ 5 ሰዓትን 21 ደቒቕን 15 ካልኢትን ዝዛዘሞ ክኸውን እንከሎ: ትማሊ ኣብ ካልኣይ መድረኽ ድሕሪ ምዕዋቱ ብዝመለሳ ብጫ ናይ መራሒ ማልያ ዳግማይን ብተኸታታሊ ክዕወት ምኽኣሉ ፍሉይ ገይርዋ ይርከብ። ብመሰረት ዝተረኽበ ሓበሬታ ተቐዳዳማይ ክለብ ዳይረክት ኤነርጂ ረነ ታራማ ካልኣይ ከምኡውን ካብ ኣካዳሚ ብሽክለታ እስራኤል ማተዮ ባዲላቲ ሳልሳይ ኮይኖም ነቲ ዝተሰርዐ ናይ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ሩዋንዳ ተዓዊቶም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%88%83%E1%8B%8A-%E1%89%85%E1%8B%B1%E1%88%B5-%E1%8B%B3%E1%8C%8D%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%8A%BD-%E1%8B%93%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8C%8E%E1%8A%93%E1%8C%BA%E1%8D%89\/4804411.html"} {"headline":"ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያ ሓደ ዝተወሃደ ፓርቲ ከምዝኸውንን ሽሙ ከምዝቕይርን ተገሊጹ","content":"ናይ ኢትዮጵያ ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግ ቅድሚ ዝቕፅል ሃገራዊ ምርጫ ሓደ ዝተወሃደ ፓርቲ ከምዝኸውንን ሽሙ እውን ከምዝቕይርን ኣፍሊጡ። ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ሓላፊ ማእኸል ህንፀት ዴሞክራሲያዊ ስርዓትን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ኢህዴግን ኣቶ ብናልፍ ኣንዱአለም እቲ መፅናዕቲ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከሎ ድሕሪ ሰላሳ ዓመታት ናይ ኢህወዴግ ሽም ንመጀመሪያ ግዜ ክቕየር እዩ ኢሎም። ኣዋርሕ ዝተረፎ ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ምርጫ ኢህወዴግ ዝበሃል ውድብ ኣይህልውን።ኦዴፓ፣ኣዴፓ፣ዴህደንን ህውሓትን ዝብሃሉ ኣባል ውድባት ኣይህልዋን።ናይቲ ውድብ ኣቦ ወንበር ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ንኩላትና ዝሓቖፈ ሓደ ኢትዮጵያዊ ውድብ ክንፈጥር ኢና ብምባል ናይ ኢህወዴግ ሓድሽ ኣወዳድባ ወግዓዊ ጌሮም። እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ነዚ ወግዓዊ ዝገበሩ ኣጋር ውድባት ካብ ዝመርሕኦም ክልላት ዓፋር፣ሶማሌ፣ጋምቤላ፣ቤንሻንጉል ሃረሪን ዝመፁ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ምስ ዝመጹ ተወከልቲ ህዝቢ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ትማሊ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን እዩ ። ኢህወዴግ ክሳብ ሎሚ ብቐጥታ ዘመሓድረን ንክልላት ኦሮሚያ፣ኣምሓራ፣ደቡብን ትግራይን ጥራሕ እዩ።ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ንተወከልቲ ከምዝገለፁዎ ኢህወዴግ ብኣጋር ውድባት ዝመሓደራ ክልላት ሓዊሱ ኩሎም ናይ ኢትዮጵያ ክፋላትን ኢትዮጵያዊያንን ብዝሓቁፍ ኣገባብ እናተሰርሐ እዩ ኢሎም። እቲ ገዛኢ ፓርቲ ሽሙ ከይተረፈ ንምልዋጥ ዘኽእሎ እዚ መፅናዕቲ ይዛዘም ምህላውን ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ሓላፊ ማእኸል ኣተሓባብሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ሓላፊ ቤት ሕፅፈት ቤት ምኽሪ ኢህወዴግን ኣቶ ብናልፍ ኣንዱኣለም ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም። “ቀዳማይ ረቂቕ ናይዚ መፅናዕቲ ናብ ምዝዛም ገፁ እዩ ዘሎ።ኣርባዕቲአን ኣባል ውድባት ኣብ ቀረባ ክዘራረባሉ ትፅቢት ይግብር።እቲ ናይ ውህደት ሕቶ ብኣባል ውድባት ኢህወዴግ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ መፅናዕቲ ብኣጋር ውድባት እውን ስለ ዝተሰርሐ እቲ ውህደት ንዕኦም እውን ዝሓውስ እዩ።” ኣቶ ብናልፍ ወሲኾም ኣብ እዋን ምይይጥ ዝርከብ ግብኣት ተሓዊሱዎ ኩለን ፖለቲካዊ ውድባት ክውስንኦ ትፅቢት ከምዝግበርን በዚ ውሳነ መሰረት ድማ እቲ ፓርቲ ሓደ ዝተወሃደ ፓርቲ ከምዝኸውንን ኣብሪሆም። ንሶም እቲ ሕጂ ዘሎ ኣወዳድባ ብቕርፅን ትሕዝቶን ስለዝልወጥ ግንባር ምዃኑ ተሪፉ ሓደ ውድብ ክኸውን እዩ ምስ ኢሎም። “ሕጂ ዘለው ብሄራዊ ውድባት ናብዚ ሓዱሽ ፓርቲ ክጠቓለሉ’ዮም። ርእሶም ክኢሎም ዝተወደቡ ብሄራዊ ፓርትታት ክቕህሙ እየን።ከምቲ ዝነበርኦ ርእሰን ክኢለን ብደረጃ ውድብ ምስርሐን ከብቅዕ እዩ።” ብብሄራዊ ደረጃ ዝተወደባ ከም ናይ ሶማሌ፣ናይ ዓፋር፣ቤንሻንጉል፣ከምኡ እውን ኣባል ውድባት ኦሮሞ፣ኣምሓራ፣ደቡብን ትግራይን ሽመንን ቅርፀንን ክሓድጋ እየም ኢሎም።ሓደ ፓርቲ ክኸውን ከሎ ኣብ ምርጫ ተወዳዲሩ እንተድኣ ስዒሩ ነተን ክልላት ዘመሓድር እቲ ሓድሽ ዝጣየሽ ውድብ ክምድበለን እዩ ኢሎም። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ርእይቶኦም ዝሃቡ ዳይረክተር ኢኒሼትቭ ኣፍሪቃ ናይ ቀደም ናይ ኣዲስ ኣበባን ናይ ኢትዮጵያን ኣብያተ ምኽሪ ንግዲ ፕረዚዳንት ዝነበሩን ኣቶ ክቡር ገና ኣብ ቀረባ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ዝተበሃለ ሓዱሽ ኣወዳድባ ኢህወዴግ ዝተወሰነ ርእዮተ ዓለማዊ ለውጢ ሒዙ ክመፅእ ይክእል’ዩ ዝብል ግምት ከምዘለዎም ሓቢሮም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%88%E1%8B%9B%E1%8A%A2-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%95%E1%88%9D%E1%8B%B2-%E1%8B%9D%E1%89%95%E1%8C%BD%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%88%83%E1%8B%B0-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%83%E1%8B%B0-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%B8%E1%8B%8D%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%88%BD%E1%88%99-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%95%E1%8B%AD%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4803309.html"} {"headline":"ዓረና፡ ድሕሪ ምርጫ 2007 ፈላማይ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ መቐለ አካይዱ","content":"ዓረና ንሉኣለዊነትን ዴሞክራሲን ድሕሪ መረፃ 2007 ንፈለማ እዋን ኣብ ከተማ መቐለ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብቲ ኣኼባ ኣማራፂ ፖሊሲ እቲ ውድብን እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ጠመተ ተገይርሎም እዩ። ውድብ ዓረና ንሉኣላዊነትን ዴሞክራሲን ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዘካሄዶ ህዝባዊ ኣኼባ ናይቲ ውድብ ኣባላትን ደገፍትን ነበርቲ ከተማ መቐለ ተረኺቦም እዮም። ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ዓረና ኣይተ ዓምዶም ገብረስላሴ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ብዘይተለመደ ኩነታት እቲ ኣኼባ ክነካይድ ተሓባቢሩና እዩ ብምባል ኣመስጊኖም። ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት ንፈለማ እዋን እዩ ዓረና ኣብ ከተማ መቐለ ህዝባዊ ኣኼባ ዘካየደ’ሎ። ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኣይተ ኣብርሃ ደስታ ከምዝገለፅዎ \"ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ህዝባዊ ኣኼባ ዘየካየድና ኣብ ሃገራዊ እዋናዊ ጉዳያት ተፀሚድና ስለዝነበረ እዩ ድሕሪ ሐዚ ግና ብተኸታታሊ ኣብ ካልኦት ከተማታት እውን ተመሳሳሊ መድረኽ ክነካይድ ኢና\" ኢሎም። ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ዓረና ኣይተ ገብሩ ኣስራት ኣብ ከተማ መቐለ ኣዳራሽ ማዛጋጃቤት ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ከምዝገለፅዎ \"ኣብቲ ኣዳራሽ ልዕሊ ሓምሳ ዓመት ዝሰገሩ ትዝታታት ኣለኒ ብምባል እዮም ወግዖም ጀሚሮም። ኣብ 1960ታት ንቓልሲ ዘለዓዕሉ ሙዚቃታት ይቐርበሉ ዝነበረ እዩ፤ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ግና ቅድሚ 18 ዓመታት ህወሓት ኣብ ክልተ ዝተመቐለሉ እዋን እቲ ናይ መወዳእታ መድረክ ዝተኻየደ ኣብዚ ውሽጢ ኣደራሽ እዩ ነይሩ እሞ ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ፖለቲካ ዝፈጠሮ ፅልዋ ልዑል እዩ\" ኢሎም። ኣብ ጉዳይ ምምሕዳር መሬት ዝለዓሉ ፀገማት ካብ ፖሊሲ ዝብገስ እዩ ዝበሉ ኣይተ ኣብርሃ ደስታ ዋንነት መሬት ህዝብን መንግስትን ዝብል መንግስቲ ከምድላዩ መሬት ህዝቢ ክወስድ ዝሕግዝ እዩ ኢሉ ውድቦም ከምዝኣምን ተዛሪቦም። No media source currently available ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ፀገም ሰናይ ምሕደራ ኣሎ ዝበሉ ኣይተ ገብሩ ኣስራት ኣብ ወልቃይትን ራያን ድማ ፀገም ምሕደራን ልምዓትን እምበር ካልእ ሕቶ ኣሎ ኢሉ ዓረና ከምዘይኣምን ተዛሪቦም። ኣብዚ ጉዳይ ግዝኣት ትግራይ ንምስፍሕፋሕ እዩ ተባሂሉ ዝዝረብ ሓቂ ኣይኮነን ምኽንያቱ ድማ ሐዚ ዘሎ ወሰን ቅድሚ ምክላሉ ኣብ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበረ ክቡር መዓድን ዘለዎም ዓብይ ረብሓ ዘርክቡ ከባቢታት ናብ ዓፋር ክኽለሉ እዩ ተገይሩ። ወሰን ክልላት ዝተኸለለ ብቋንቋ እዩ ናይ ቅድሚ ሐዚ ዝነበረ ኣከላልላ ዝድለ እንተኾይነ ድማ ኣብ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ሕቶ ክለዓል ማለት እዩ ኢሎም: ወይ ድማ ብሓፈሻ ስርዓት ኣከላልላ ወስን ምቅዋም ይከኣል ክብሉ ተዛሪቦም። መበል 44 ዓመት ምስረታ ህወሓት 11 ለካቲት ኣመራርሓ ዓreና ተረኺብኹም ኢኹም ዕርቂ ድዩ ፈፂምኩም? ዝብል ሕቶ ኣብቲ መድረኽ ተላዒሉ ኣመራርሓ ዓረና ወይዘሮ ኣረጋሽ አዳነ እቲ መድረኽ ምስ ህወሓት ናይ ምትዕራቕ መድረኽ ኣይኮነን ኢለን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%8A%93-%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-2007-%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%8A%A3%E1%8A%BC%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/4803205.html"} {"headline":"ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ኣስታና መርሃዊ ቁዱስ ተዓዋቲ ካልኣይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2019 ኮይኑ","content":"ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ኣስታና መርሃዊ ቁዱስ ኣብ ርዋንዳ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዙር ርዋንዳ 2019 ተዓዋቲ ካልኣይ መድረኽ ኮይኑ። መርሃዊ ነቲ 120.5 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ኣብ ዞባ ሁየ ርዋንዳ ዝተኻየደ ካልኣይ መድረኽ ብ 3:02:17 ግዜ እዩ ፈጺምዎ። ኣባል ፈረንሳዊት ክለብ ደልኮ ማርሰል ካስፐርክዊክስ ካልኣይ ከምኡ’ውን ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ቢንያም ግርማይ ድማ ሳልሳይ ኮይኖም ነቲ ዝተሰርዐ ውድድር ምፍጻሞም መርበብ ሓበሬታ እቲ ውድድር ጠቒሱ። ዙር ርዋንዳ 2019 ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ እትርከበን ሃገራውያን ጋንታታት ርዋንዳ: ፈረንሳ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እስራኤል፡ ኣልጀርያን ኬንያን ካልኦት ስሙያት ክለባት ከም ኣስታናን ዳይመንሽን ዳታን ዝሳተፍኦ ዘለዋ ውድድር ክኸውን እንከሎ: ትማሊ ሰንበት እዩ ፈሊሙ። ኣብቲ ትማሊ ሰንበት የካቲት 24 ዝተኻየደ ቀዳማይ መድረኽ’ቲ ውድድር ኣባል ፈረንሳዊት ክለብ ደልኮ ማርሰል ኢጣልያዊ ኣለሳንድሮ ፊደሊ እዩ ተዓዊቱ። ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ያቆብ ደበሳይ ድማ ካልኣይ ከምኡ’ውን ኣባል ፈረንሳዊት ክለብ ደልኮ ማርሰል ካስፐርክዊክስ ድማ ሳልሳይ ኮይኖም መዛዘሚ መስመር ረጊጾም። ኣብ ክልቲኡ መድረኻት ብዝተዋህለለ ነጥቢ መርሃዊ ቅዱስ ብሓፈሻዊ ነጥቢ ኣብ መሪሕነት ይርከብ። ካስፐርክዊክስ ከምኡ’ውን ርዋንዳዊ ጆሴፍ ኣረሩያ ካልኣይን ሳልሳይን ኮይኖም ተሰሪዖም ይርከቡ። በዚ ድማ ጽባሕ ካብ ዞባ ሁየ ናብ ሩባቮ ኣብ ዝካየድ ናይ 213.1 ኪሎ ሜተር ርሕቐት ዝሽፍን ሳልሳይ መድረኽ መርሃዊ ቅዱስ ብጫ ናይ መሪሕነት ማልያ ለቢሱ ክወዳደር እዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%89%B0%E1%89%90%E1%8B%B3%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%88%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%8A%93-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%88%83%E1%8B%8A-%E1%89%81%E1%8B%B1%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%AD%E1%8B%8B%E1%8A%95%E1%8B%B3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8B%99%E1%88%AD-%E1%88%AD%E1%8B%8B%E1%8A%95%E1%8B%B3-2019-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%8B%E1%89%B2-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A3%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%8A%BD-%E1%8A%AE%E1%8B%AD%E1%8A%91\/4802974.html"} {"headline":"ንጉስ ሃይለስላሰ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓወልቲ ክስርሓሎም ይግባእ`ዶ? ኤርትራውያን ይካትዑ","content":"ካብ መስረቲ ኣቦታት ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ንጉስ ሃይለስላሰ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀጽሪ ዋና-ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ በቲ ሕብረት፡ ሓወልቲ ተሰሪሕሎም ኣሎ። ይኹን`ምበር ስርዓት ሃይለስላሰ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፈጸሞ ጸረ-ሰብኣውነት ግፍዕታት ይኸብድ ይብሉ ብዙሓት ኤርትራውያን። ኣብ ኢትዮጵያውያን`ውን ንምትካል ሓወልቶም ዝምልከት ናይ ሓባር ርእይቶ የለን። ኣቶ ሱለማን ኣደም፡ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ምስ ዝርከብ ዜጋታት ንደሞክራሲያዊ መሰላት ኤርትራ ዝተባህለ ማሕበር ዝሰርሕ`ዩ። ንሱ ኣብ ዓድታት ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ዑና፡ በስክዲራ፡ ኣቑርደት፡ ሃዘሞ፡ ኦምሓጀርን ካልኦት ብዙሓትን ብሰርዓት ሃይለስላሰ ዝተፈጸመ ግፍዕታት ክትዝክር ከለኻ ብሓቂ የሕምመካ`ዩ ይብል። መንግስቲ ኤርትራ ንታሪኽ ዝተርፍ ተቓውምኡ ከስምዕ ይግባእ`ውን ይብል። ኣቶ ኣሉላ ኣብርሃም ድማ ካብ ንጡፋት ኮሚኒቲ ኤርትራውያን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ`ዩ። ንሱ ብወገኑ፡ ኣቲ ግፍዕታት ከምዘሎ ኮይኑ፡ ሓደ ዛጊት ናይ ባዕሉ ናጽነት ዘይብሉ ብብልሽውና ዝተቖማጥዐ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ- ነበር፡ ንሃይለስላሰ ሓወልቲ እንተሰረሓሉ ከጨንቐና ዝግባእ ኣይኮነን ይብል፡ ንጉስ ሃይለስላሰ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓወልቲ ክስርሓሎም ይግባእ`ዶ ኣብ ዝብል ክልተ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ኤርትራውያን ይካትዑ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%B5-%E1%88%83%E1%8B%AD%E1%88%88%E1%88%B5%E1%88%8B%E1%88%B0-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%88%93%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%93%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8B%AD%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%8A%A5-%E1%8B%B6-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%8A%AB%E1%89%B5%E1%8B%91\/4800504.html"} {"headline":"ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ትማሊ ዝተፈትሐ ኢንቨስተር ገሬ ወዲ ሴሮ ፖሊስ መሊሱ ኣሲሩዎ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር 2011 ዓ.ም ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ዩኒቨስርቲ ኣሶሳ ምስ ዝነበረ ግጭት ተኣሳሲሩ ፖሊስ ጠርጢረዮ ኢሉ ኣብ ቁፅፅ ዘውዓሎ ኢንቨስተር ገብረእግዛብሄር ገብረመድህን(ገሬ ወዲ ሴሮ) ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ፣ብዓቃቢ ሕጊ ኽሲ ከይተመስረቶ ቤት ፍርዲ ትማሊ ሓሙስ ብዋሕስ ምስ ፈትሖ ፖሊስ ሎሚ ዓርቢ መሊሱ ኣብ ቁፅፅር ኣውዒሉዎ’ሎ። በዓልቲ ቤቱ ፖሊስ ትማሊ ለይቲ ክኣስሩዎ ናብ ገዝኦም ከምዝመፁን ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ እንተለዎም ሓቲቱዎም ኣይሓዝናን ከምዝበሉዎን ንሱ ድማ ለይቲ ንዝኾነ ሰብ ኣይክፍትን ከምዝበሎምን ንጉሆ መፂኦም ብዘይ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ከምዝኣሰሩዎምን ገሊፃ’ላ። ፖሊስ ስለ ምንታይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዓሎ መብርሂ ንምርካብ ናብ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ቤንሻንጉል ኮማንደር መሓመድ ስልኪ ደዊለ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ምስ ገለፅኩሎም ድሕሪ 10 ደቓይቕ ደውል ኢሎምኒ መሊሰ ደጋጊመ እንተደወልኩ ስልኮም ከልዕሉዎ ኣይክኣሉን። ምስ ኢንቨስተር ገብረእግዛብሄር ገብረመድህን(ገሬ ወዲ ሴሮ) ቅድሚ ሎሚ ንግሆ ዳግማይ ናብ ቤት ምእሰርቲ ምእታው ዝተኻየደ ምሉእ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/investor-gerie-wedi-sero-rearested-by-police-shortly-after-released-by-the-court-on-bail\/4800346.html"} {"headline":"ትርጉምን ትሕዝቶን ህጹጽ ጊዜ ኣዋጅ ኣሜሪካ","content":"ብዛዕባ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝኣዘዝዎ ህጹጽ ጊዜ ኣዋጅ ገለ ነጥቢታት ክንሕብረኩም፣ ህጹጽ ጊዜ ኣዋጅ ኣብ ኣሜሪካ እንታይ ማለት’ዩ? ህጹጽ ጊዜ ኣዋጅ ክትግበር ከሎ፣ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ኣብ እዋኑ ከርክብ ስለዘይኽእል ተባሂሉ ፕረዚደንት ስልጣን ንክረክብ ዝሕግዝ ኣዋጅ’ዩ። ሕገ መንግስቲ ኣሜሪካ ብዛዕባ ፕረዚደንት ዝእውጆ ህጹጽ ጊዜ ዝጠቕሶ ነገር የለን። ስለምንታይ’ዩ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ወሳኒ ድምጺ ኣብ ልዕሊ ህጹጽ ጊዜ ኣዋጅ ዝህልዎ? ከይዱ ከይዱ እቲ ሕቶ፣ ሕቶ ገንዘብን ስልጣንን ስለዝኾነ። ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኣሜሪካ ‘ኣብ ልዕሊ ገንዘብ ስልጣን ዘለዎ ቤት ምኽሪ ወከልቲ’ዩ’። ቤት ምኽሪ ወከልቲ ንፕረዚደንታዊ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ክቕልብስ’ዶ ይኽእል? ብመሰረት ኣብ 1976 ዝጸደቐ ሕጊ፣ ቤት ምክሪ ወከልቲ ንፕረዚደንታዊ ኣዋጅ ክቕልብሶ ስልጣን ተዋሂብዎ’ሎ። ቤት ምኽሪ ወከልቲን ሴነትን ኣሜሪካ ብኣብዛሓ ድምጺ እንተወሲኖም ህጹጽ ጊዜ ኣዋጅ ክቕልበስ ይኽእል’ዩ። ዴሞክራሲያዊን ስለምንታይ’ዮም ኣብ ዶብ ምስ ሜክሲኮ ዘሎ ኩነታት ‘ህጹጽ ጊዜ ዝጠልብ ኣይኮነን’ ዳኣ ዝብሉ? በዝሒ ናብ ኣሜሪካ ዝሰግሩ ስደተኛታት ይንክይ ኣሎ ባሃልቲ ስለዝኾኑ። እቲ ኣዋጅ ኣብ ቤት ፍርዲ’ዶ ውዱቕ ክኾን’ዶ ይኽእል? እዚ’ውን ካልእ ኣማራጺ’ዩ።16 ክፍለ ግዝኣታት ንኣዋጅ ፕረዚደንት በዲሆምዎ ኣለው። እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ምውሳድ ጊዜ ዝበልዕ’ዩ። ቤት ምኽሪ ወከልቲ ግና ከሕጽሮ ይኽእል። እቲ ውሳነ ክሓልፍ ክሳዕ ክንደይ ዕድል ኣለዎ? ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ (ዴሞክራሲያዊያን ዝቆጻጸርዎ) ብቐሊሉ ክሓልፍ ይኽእል’ዩ። ኣብ’ቲ ሪፐብሊካዊያን ዝዕብልልዎ ሴነት ግና ከቢድ’ዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/us-state-of-emergency-donald-trump-democrats-republicans\/4800313.html"} {"headline":"ኢሳት መንግስቲ ትግራይ ፍሉይ ሓይሊ ኣብ ኮረም የስፍር ኣሎ ንዝበሎ ክልል ትግራይ ኣሉታዊ ግብረመልሲ ሂቡ’ሎ","content":"መንግስቲ ትግራይ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣብ ኮረም የሰፍር ኣሎ ክብል ኢሳት ፀብፂቡ። ብጉዳይ መንነት ራያ ምስ ክልል ኣምሓራ ኲናት ንምክያድ እዩ ክብል’ውን እቲ መደበር ቴሌቭዥን ንምንጭታቱ ረቑሑ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ሓላፊ ፀጥታን ምምሕዳርን ዞባ ደቡባዊ ትግራይ ኣቶ ሃይለ ምስጉን እዚ ጉዳይ ሓቂ ኣይኮነን ብምባል ምስ መንነት ተተሓሒዙ ኣብ ከባቢና ብሕጋዊ መንገዲ ዝቐረበ ሕቶ የለን እንሃልዩ’ውን ብሕጊ እምበር ብኲናት ኣይንፈትሖን ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8D%8D%E1%88%89%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AE%E1%88%A8%E1%88%9D-%E1%8B%A8%E1%88%B5%E1%8D%8D%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%8E-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%89%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%88%82%E1%89%A1-%E1%88%8E-\/4798766.html"} {"headline":"ሃዋሳ፡ደቡብ ሲዳማ ክልል ይኹን ንዝብል ሕቶ ምላሽ ይወሃበና ዝብሉ ወገናት ሰላማዊ ሰልፊ አካይዶም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ሲዳማ ክልል ይኹን ዝብል ሕቶና ምላሽ ኣይተውሃቦን፤ህዝበ ውሳነ ዝግበረሉ ዕለት እውን ኣይተገለፀን ብምባል ሎሚ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ። ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ዘጋጠሞም ዕንቅፋት ኮነ ምፍርራሕ ዘይምንባሩን እዚ እውን ፍረ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ይርአ ዘሎ ለውጢ እዩ ዝበለ ካብ ኣተሓባበርቲ ሰልፊ መንእሰይ ታሪኩ ለማ፣እቲ ለውጢ ነባሪ ክኸውን ግን ንዘበናት ዝፀንሐ ሕቶ ህዝቢ ሲዳማ መልሲ ምስ ዝረክብ እዩ ኢሉ’ሎ። No media source currently available እቲ ብባህላዊ ስነ ስርዓት ዝተፀንበለ ሰላማዊ ሰልፊ ብሰላማዊ መንገዲ ንኽፍፀም ምምሕዳር እቲ ከባቢ ሓላፍነት ወሲዱ ብዘይገለ ፀገም ምክያዱ ሪፖርተር ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ሃዋሳ ሓቢሩ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%8B%8B%E1%88%B3-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%88%B2%E1%8B%B3%E1%88%9B-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%AD%E1%8A%B9%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%88%95%E1%89%B6-%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%BD-%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A0%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8B%88%E1%8C%88%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8A-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D\/4798648.html"} {"headline":"አዲስ አበባ፡ 29 ቢልዮን ብር ወጻኢ ዝተገብረሉ ፕሮጀክት ተጀሚሩ","content":"ልዕሊ 50 ኪሎ ሜትር ንውሓት ዘለዎን ብ29 ቢሊዮን ብር ወፃኢ ዝስራሕን ፕሮጀክት ወሰን ሩባ ኣዲስ ኣበባ ወግዓዊ ኮይኑ።ናይታ ከተማ መልክዕ ከምዝቕይር ዝተገልፀ እዚ ፕሮጀክት ኣብቲ ስነርዓት ተረኺቦም ምጅማሩ ወግዓዊ ክገብሩ ትፅቢት ዝተገብረሎም ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ስነስርዓት ኣይተረኽቡን። ንዕኦም ብምውካል ነቲ ፕሮጀክት ዘጀመሩ ናይ ኣዲስ ኣበባ ምኽትል ከንቲባ ኣቶ ታከለ ኡማ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብቲ ስነስርዓት ዘይተረኽቡ ብሰንኪ ህፁፅ ስራሕ እዩ ኢሎም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-29-%E1%89%A2%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%AD-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%89-%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%80%E1%8A%AD%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%AA%E1%89%91\/4798620.html"} {"headline":"ብሚ\/ጉ\/ወጻኢ ኤርትራ ዝምራሕ ልኡኽ አዲስ አበባ ኣትዩ","content":"ብሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝመራሕ ልኡኽ ኤርትራ ብዛዕባ ክልትኣዊ ርክባትን ዞባዊ ምዕባለታትን ንምዝርራብ ሎሚ ሓሙስ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ሚንስትር ሓበሬታ ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ናይ ቲዊተር መልእኽቶም ገሊፆም። እቲ ሓባራዊ ርክብ ዝበፅሓሉ ደረጃ ንምግምጋምን ዝርዝር ናይ ምትሕብባር ስምምዓትን ብዝምልከት ዝለዓለ ሓባራዊ ኮሚቴ ክልቲአን ሃገራት ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኼብኦም ጀሚሮም ኣለው። ንጋዜጣ ኢትዮጵያ ሄራልድ መገልፂ ዝሃቡ ኣብ ኤርትራ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣቶ ሬድዋን ሑሴን ኣብ ንግዲ፣ኣጠቓቕማ ወደብ፣ጉምሩክ፡መጎዓዚያን ካልኦት መዳያትን ብዝምልከት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ክልቲአን ሃገራት ሰፊሕ ዝርርብ ከካይዱ ከምዝፀንሑ ገሊፆም። ልኡኽ ኤርትራ ካብ ፕረዚዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተላኸ ደብደበ ንቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ከምዝረከበ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ገሊፆም ኣለው።ኣምባሳደር ሬድዋን ብወገኖም መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ሓፈሻዊ ናይ ምትሕብባር ስምምዕ ኣብ ቀረባ ከምዝፈራረሙ ሓቢሮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%A9\/4798521.html"} {"headline":"ተዋጋእቲ ኦነግ ንምቕባል ናብ ጉጂ ዝተጉዓዙ አባገዳታትን ዓበይቲ ዓድን ምድላዋቶም ምዝዛሞም ተገሊጹ","content":"ተዋጋእቲ ግንባር ነጻነት ኦሮሞ ንምቅባል ኣብ ክልል ኦሮምያ ናብ ጉጂ ዝተጓዕዙ አባ ገዳታትን ዓበይቲ ዓድን ምስ ኹሎም ወገናት ብምዝርራብ ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ንምግባር ምድላዋቶም ከምዝዛዘሙ ተገሊጹ’ሎ። ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ተዋጋእቲ ግንባር ነጻነት ኦሮሞ ብመሰረት’ቲ ሽምግልና ኣባገዳታት እናተመርሑ ክኣትው’ዮም ተባሂሉ ትጽቢት ከምዝግበር ሪፖርተር ድምጺ ኣሜሪካ ካብቲ ቦታ ሓቢሩ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%8B%8B%E1%8C%8B%E1%8A%A5%E1%89%B2-%E1%8A%A6%E1%8A%90%E1%8C%8D-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8C%82-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%89%E1%8B%93%E1%8B%99-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%8C%88%E1%8B%B3%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%93%E1%89%A0%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%8B%93%E1%8B%B5%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%8B%E1%8B%8B%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8B%9B%E1%88%9E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4795037.html"} {"headline":"16 ክፍለ ግዝኣታት ኣሜሪካ ንኣዋጅ ህጹጽ እዋን ፕረ. ትራምፕ ብምቅዋም ንምምሕዳሮም ከሲሶም","content":"16 ክፍለ ግዝኣታት ኣሜሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ ሜክሲኮ ኣብ ዘዳውብ ደቡባዊ ዶብ’ታ ሃገር መንደቕ ንምህናጽ ዘድልይ ገንዘብ ንምርካብ ንዝኣወጅዎ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ብምቅዋም ንምምሕዳሮም ከሲሰን ኣለዋ። ብናይ ካሊፎንያ ጠቕላሊ ዓቃብ ሕጊ ዝምርሑ ዓቐብቲ ሕጊ እዘን ክፍለ ግዝኣታት ክሶም ትማሊ ሶኑይ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ኖርዝ ካሮሊና ዝርከብ ፈደራል ቤት ፍርዲ ኣቕሪቦም ኣለው። እቲ ዝቐረበ ክሲ፡ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ፕረዚደንት ትራምፕ ዘይሕጋዊን ዘይቅዋማዊን’ዩ ብተወሳኺ ካብ ፕሮግራማት ጸረ ኣደንዛዚ ዕዝ፡ ወታሃደራዊ ናይ ህንጸት ፕሮግራማንትን ካልኦት ሕጊ ናይ ምኽባር ጻዕርታት ዝውሰድ ገንዘብ ነተን ክፍለ ግዝኣታት ዝጎድእ’ዩ ይብል። እቲ ክሲ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ትራምፕ ንካልእ ናይ መንግስቲ ፕሮግራማት ዝተሰለዓ ገንዘብ ናብ ምህናጽ መንደቕ ከይውዕል ክክልክል ፡ወይ’ውን ነዚ ዕላማ ዝውዕል ገንዘብ ካብ ኮንግረስ ከይረኸበ ናብዚ መዓላ ከየውዕል ይሓትት። “ፕረዚደንት ትራምፕ ንልዕልና ሕጊ ምሉእ ብምሉእ ብምጥሓስ ስግኣት ይፈጥሩ ኣለው” ዝበሉ ጠቕላሊ ዓቓብ ሕጊ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎንያ ዣቭየር በከራ “ እዚ ናይ ዶብ ቀውሲ ከምዘይኾነ ይፈልጡ’ዮም። ምእዋጅ ህጹጽ ኣዋጅ ድማ ውሕስነት ከምዘይብሉ ይፈልጡ’ዮም። ኣብ ቤት ፍርዲ ድማ ከምዝሰዓሩ ይኣምንሉ’ዮም” ኢሎም። ብተወሳኺ ሓደ ጉጅለ ተሓላቒ ጉዳያት ከባቢን እቲ መንደቕ ዝህነጸሉ ቦታ ዘለው ሰለስተ ወነንቲ መሬት ቴክሳስ ነቲ ክሲ ተጸንቢሮሞ ኣለው። ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ነቲ ክሲ ብዝምልከት ክሳብ ሕጂ ግብረ መልሲ ኣይሃበን እንተኾነ ግን እቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣብ ቤት ፍርዲ ብድሆ ከምዝገጥሞ ኣቐዲሙ ምሕባሩ ይፍለጥ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ነዚ ኣዋጅ ዝቓወሙ ሰልፈኛታት ትማሊ ኣብ ኣፍደገ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ተቓውሞኦም ምስምዖም ይፍለጥ። ሓደ ካብቶም ኣብቲ ሰልፊ ዝተረኽበ ኖሃ ስቶፓክ “ ክሊማ ዓለም ህጹጽ ጉዳይ’ዩ፡ ቅዋማዊ ህጹጽ ጉዳይ አሎ ካልእ ድማ ንዋንነት ኣጽዋር ዝምልከት ህጹጽ ጉዳይ ኣሎ ። ኣብ ደቡባዊ ዶብ ግን ህጹጽ ጉዳይ የለን ህጹጽ ጉዳይ ኣዊጅካ ጎልፍ ክትጻወት ኣይትኸይድን ኢኻ” ክብል ርእይትኡ ይህብ። ፕረዚደንት ትራምፕ ኮንግረስ ንናይ ዶብ ጸጥታ ዝሰልዖ ገንዘብ ስለዘየሓጎሶም ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ምእዋጆም ይፍለጥ። ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ወፍሪ ምርጫኦም ኣብ ደቡባዊ ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን መንደቕ ከምዝሃንጹን ንህንጸት ዶብ ድማ ሜክሲኮ ከምትከፍል ይጉስጉሱ እንተነበሩ ሰበ ስልጣን ሜክሲኮ ግን ንምህናጽ’ቲ መንደቕ ዝኮነ ዓይነት ናይ ገንዘብ ወጻኢ ከምዘይገብሩ ምሕባሮም ይፍለጥ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%88%88-%E1%8C%8D%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%95%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%8C%85-%E1%88%85%E1%8C%B9%E1%8C%BD-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%88%9D%E1%8D%95-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%89%85%E1%8B%8B%E1%88%9D-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%88%B2%E1%88%B6%E1%88%9D\/4794637.html"} {"headline":"ዝተባረሩ መራሕቲ ህወሓት ዝነበሩ 'ኣፍልጦን ምስጋናን' ረኺቦም","content":"ቅድሚ ዓመታት ብሰንኪ ኣብ ማእከላይ ኮሚቴ ዝተፈጥረ ኣፈላላይ ካብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ተባሪሮም ዝነበሩ መራሕቲ ዝነበሩ ሎሚ 11 ለካቲት 2011 ኣፍልጦን ናይ 'የቕንየልናን' ህያብ ተቐቢሎም። ኣብ'ቲ ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት መቐለ ዝተካየደ ስነ ስርዓት ምክትል ኣቦ መንበር ህወሓትን ኢህወዴግን ዝነበሩ ኣቶ ተወልደ ወ\/ማርያም ነቲ ህያብ ኣፍልጦን የቕንየልናን ተቐቢሎም። እቲ ሽልማትን ስነ ስርዓት ዕርቂን ብማሕበረ ሰብ ንግዲን ኣፍረይቲን ትግራይ ዝተዳለወ ከምዝኾነ'ውን ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ ክሊ'ዚን ዝተኣሳሰሩን ነጥቢታት ንክዘራረብ ክልተ ኣጋይሽ ዓዲምና ኣለና። ካብ ህወሓት ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ትግራይ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋን ካብ መሪሕነት ዓረና ትግራይ ንዴሞክራሲን ፍትሒን ኣቶ ኪዳነ ኣማረን'ዮም። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/tplf-arena-debated-on-the-reconition-to-former-tplf-leaders-and-politics-of-the-region\/4793226.html"} {"headline":"ኣመራርሓ ምምሕዳር ከተማ አዲስ አበባን ልዕሊ 500 መንእሰያትን ብሓባር ኣብ ከተማ መቐለ ዑደት አካይዶም","content":"ኣመራርሓ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ልዕሊ 500 መናእሰይ እታ ከተማ ብሓባር ብምዃን ኣብ ከተማ መቐለ ዑደት ኣካይዶም። ኣባለት እቲ ጉጅለ ምስ ኣመራርሓን መናእሰይን ከተማ መቐለ ተዘራሪቦም ብተወሳኺ እውን ኣብ ሓወልቲ ሰማእታትን ቤተመንግስቲ ሃፀይዮሃንስ ዑደት ገይሮም። ምክትል ከንቲባ ከተማ አዲስ አበባ ዶ\/ር ሰለሞን ኪዳነ ዕላማ’ቲ ዑደት ኣብ መንጎ መንእሰያት ክልቲኦም ከተማታት ኩለንተናዊ ዝምድና ንምምዕባልን ኣብ መበል 44 ምስረታ ህውሓት ንምክፋልን ምኳኑ ሓቢሮም። ከንቲባ ከተማ መቐለ ኢንጂነር አርአያ ግርማይ ድማ ከንቲባ ከተማ አዲስ አበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ እቶም መንእሰያት ክላለዩን ክራኸቡን ንዘካየድዎ ጻዕርታት ኣመስጊኖም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%AD%E1%88%93-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3%E1%8A%95-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-500-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AB%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%93%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D\/4792160.html"} {"headline":"ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ምህላው ሕ\/ሃ የጠንቅቕ","content":"ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል መግብን ሕርሻን (FAO) ኣብ ኤርትራን ኣብ ሱዳንን ዝተራእየ ወራር ኣንበጣ ናብ ስዑዲ ዓረብን ግብጽን ብቅልጡፍ ይዝርጋሕ ምህላው ብምግላጽ ኣብ ኣእካልን ውሕስነት መግብን ስግኣት ክፈጥር ይክእል’ዩ ክብል የጠንቅቕ። ኣብ ኤርትራን ሱዳንን ዝተራእየ ጽቡቕ ዝናብ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣንበጣ ምፍጣሩ፡ ብተወሳኺ ቁጽሪ ዕስለ ኣንበጣን ምንቅስቃሱን ይውስኽ ምህላው ትካል መግብን ሕርሻን ሕ\/ሃ (FAO) ወሲኹ የረድእ። ኤርትራ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ ሚንስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ነቲ ስግኣት ኣንበጣ ኣቐዲሙ ፈሊጥዎስ ንምክልኻሉ ክዳለወሉ ዝጸንሐ`ዩ ብምባል እቲ መጠንቀቕታ ፋኦ ግዜ ዝሓለፎ ምዃኑ ትገልጽ። ሓደ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ መፍራቕ ወርሒ ጥሪ ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ባሕሪ ስዑዲ ዓረብ ከምተራእየን ካልእ’ውን ኣብ ጥቓ ዶብ የመንን ኦማንን ከምዝተራእየ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ሕቡራት ዓረብ ኢማራትን ደቡባዊ ኢራንን`ውን ዕስለ ኣንበጣ ከምዝተራእየ እቲ ትካል ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። ብመሰረት መግለጺ’ቲ ትካል ዝርግሓ’ቲ ዕስለ ኣንበጣ ናብ ዶብ ህንዲን ፓኪስታን ክበጽሕ ከምዝክእል`ውን ይገልጽ። ኣብ ሕቡራት ሃገራት ትካል መግብን ሕርሻን በዓልሞያ ምርባሕ ኣንበጣ ኪዝ ክረስማን “ዝቕጽል እዋን ምርባሕ ኣንበጣ ከይጀመረ ንዝርግሐ’ቲ ዕስለ ኣንበጣ ንምቁጽጻር ዝመጽእ ሰለስተ ኣዋሕ ኣገዳሲ እዋን’ዩ” ይብል። ንሱ ብተወሳኺ ነዚ ዝረአ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምቁጽጻር ውጽኢታዊ ዝኾነ ምቁጽጻር ኣብቲ ኣንበጣ ዝፋረየሉ ከባቢታት ሱዳን፡ኤርትራን ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ከባቢታት ምክያድ ከምኡ’ውን ካብ ወርሒ መጋቢት ክሳብ ግንቦት ዘሎ ጻዕቂ ዝናብ ከምዝውሰን ይገልጽ። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ጥራይ ኣስታት 85,000 ሄክታር መሬት ጸረ ኣንበጣ ፈውሲ ከምዝተበተነሉ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ድማ ተመሳሳሊ ስርሒት ኣብ ኣስታት 30,000 ሄክታት መሬት ከምዝተኻየደ ፋኦ ኣፍሊጡ’ሎ።እዚ ስርሒት ኣብ ሱዳን፡ኤርትራ፡ስዑዲ ዓረብን ግብጺን ዝተኻየደ ክከውን ከሎ ተመሳሳሊ ስጉምቲታት ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኢራን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ምክያዱ እቲ ትካል ይገልጽ። ኤርትራ ብሚንስተር ዜና ኤርትራ ጌራ ኣብ ዝሓበቶ ምላሽ፡ ሚንስትሪ ሕርሻ ኤርትራ፡ ንስግኣት ዕስለ-ኣንበጣ ኣብ`ቲ ዞባ ኣቐዲሙ ብምግንዛብ ኣብ ምክልኻሉ ኣቐዲሙ ዓቕምታቱ ኣወሃሂዱ ክዳለዉሉ ዝጸንሐ ስለ ዝኾነ እዚ ብፋኦ ዝቐረበ ቅድመ-መጠንቀቕታ ግዚኡ ዝሓለወ ኣይኮነን ኢሉ’ሎ። ሓደ እኹል ኣንበጣ ኣብ ሓደ መዓልቲ 150 ኪ.ሜ ክጉዓዝ ከምዝክእል ሓደ ዕስለ ኣንበጣ ድማ ኣብ ሓደ መዓልቲ ክንዲ 35,000 ሰባት ክምገብዎ ዘክእል እኽሊ ከጥፍእ ከምዝክእል ይግለጽ። እቲ ዝዓበየ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣብ 2003-2005 ኣብ ምዕራብን ሰሜናዊ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝተራእየ ምኻኑ ኪስ ክሪዝማን ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል መግብን ሕርሻን ንምቁጽጻር እዚ ተርእዮ ዝምልከት ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ኣብ ጆርዳን ኣኼባ ከምዘካይድ’ውን ተፈሊጡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%88%E1%88%9B%E1%8C%8D%E1%88%9D-%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%88%95-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%8B%88%E1%88%AB%E1%88%AD-%E1%8B%95%E1%88%B5%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%8C%A3-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8B%A8%E1%8C%A0%E1%8A%95%E1%89%85%E1%89%95\/4791904.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ናይ ተፈጥሮ ጋዝ መሕለፊ መስመር ንምዝርጋሕ ምስ ጅቡቲ ተሰማሚዓ","content":"ኢትዮጵያ ናይ ተፈጥሮ ጋዝ ንዕዳጋ ዓለም ንምቕራብ ዘኽእላ 767 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ናይ ተፈጥሮ ጋዝ መሕለፊ መስመር ንምዝርጋሕ ምስ ጅቡቲ ተሰማሚዓ። ነቲ ስምምዕ ናይ ኢትዮጵያ ሚንስትር ማዕድንን ነዳዲን ዶ\/ር ሳሙኤል ሁርካቶን ናይ ጅቡቲ ናይ ኢነርጂን ሃብቲን ተፈጥሮን ሚንስትር ዮኒስ ጉልዲን ፈሪሞምሉ። ዶ\/ር ሳሙኤል እቲ ስምምዕ ናይ ክልቲአን ሃገራት ሓባራዊ ረብሓ ዘኽብር ሰፊሕ ልዝብ ዝተኻየደሉ እዩ ኢሎም ኣለው። ብመሰረት እቲ ስምምዕ ምዝርጋሕ መስመር ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ናይ በጀት ዓመት ዝጅመር ኮይኑ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ክዛዘም እዩ ይብል ፀብፃብ ፋና ብሮድካስቲንግ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%AE-%E1%8C%8B%E1%8B%9D-%E1%88%98%E1%88%95%E1%88%88%E1%8D%8A-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AD-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8C%8B%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8C%85%E1%89%A1%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%88%9B%E1%88%9A%E1%8B%93\/4788833.html"} {"headline":"ጉጅለ ልኡኽ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኤርትራ:አዲስ አበባ ኣትያ","content":"ትማሊ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ ናይ ኤርትራ ጉጅለ ልኡኽ ባህልን ዲፕሎማሲን ንቀዳማይ ምርኢቱ ባህርዳር ኣትዩ`ሎ ። ናይ ኤርትራ ጉጅለ ልኡኽ ህዝባዊን ባህላዊን ዲፕሎማሲ: ትማሊ አዲስአበባ ምእታው ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሓቢሩ`ሎ ። ኣብቲ ናይ ኣቀባበል ስነ ስርዓት ዝተረኽቡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ኣቶ ሬድዋን ሑሰን፡ ዕላማ’ቲ ምብጻሕ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሃገራት ዝተበጽሐ ሰላምን ስምምዕን መሰረት ብምግባር፡ ስነ ጥበብ መሰረት ዝገበረ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዝምድና ንምፍጣርን ንምሕያልን ምዃኑ ሓቢሮም ። ብተወሳኺ ምብጻሕ እዚ ጉጅለ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዝጸንሐ ታሪኻዊን ህዝቢ ንህዝቢ ዝምድናን ንምሕያል ዝዓለመ ምዃኑ`ውን ገሊጾም ። መራሒ’ቲ ጉጅለ ኣቶ ሚካኤል ተፈሪ ብወገኖም፡ ናይ ኤርትራ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ናብ ኢትዮጵያ ምብጽሑ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዘሎ ምሕዝነትን ብሩሕ መጻኢ ዘብስር’ዩ ኢሎም ። ኣቶ ሚካኤል ተፈሪ “ናይ ኹናትን ምርሕሓቕን ጊዜ ኣብቒዑ ናይ ሰላም” ምርግጋእ: ብልጽግና: ምሕዝነት: ሰናይ ጉርብትናን ብሩሕ መጻኢን ብስራት ሒዙ ዩ መጺኡ” ኢሎም ። ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ነብያት ጌታቸው ብወገኖም “ህዝብታት ክልቲኦም ሃገራት ብባህሊ ብቋንቋ ምትእስሳር ዘለዎም’ዮም፡ እዚ ናይ ህዝብታት ምትእስሳር ድማ ኣብቲ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሃገራት ዝካየድ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ዓብይ ኣበርክቶ ዘለዎ’ዩ: ባህላዊ ዝምድና ድማ ንቁጠባዊ ዝምድና’ውን መሰረት’ዩ” ኢሎም ። ኣብ ኣርባዕተ ከተማታት ኢትዮጵያ ምርኢት ዘቕርብ ልዕሊ 60 ኣባላት ዝሓዘ ናይ ኤርትራ ባህላዊን ዲፕሎማሲያውን ጉጅለ፡ ጽባሕ ቀዳም ብከተማ ባህርዳር ንምጅማር ሎሚ ምሸት ባህርዳር ከምዝኣተወ ንምፍላጥ ተኻኢሉ`ሎ። ካብ ባህርዳር ቀጺሉ፡ ኣብ ኣዳማ፡ ኣዋሳን፡ ኣዲስ ኣበባን ምርኢት ከርኢ`ዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%8B%B2%E1%8D%95%E1%88%8E%E1%88%9B%E1%88%B2-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%A9\/4788714.html"} {"headline":"ዓረና ኮሚሽን ወሰንን መንነትን ከምዘይድግፍ ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ሐዚ ዘሎ መንግስቲ ሃገር ብዝግባእ ከመሓደር ኣይካአለን እሞ ብሄራዊ ናይ ሓድነት መንግስቲ ይመስረት ክብል ውድብ ዓረና ንሉአላዊነትን ዲሞክራሲን ፀዊዑ። ማእከላይ ኮሚቴ እቲ ውድብ ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ንኮሚሽን ምምሕዳር ወስንን መንነትን እውን ዘይሕገመንግስታዊ ብምባል ተቓዊምዎ። ማእከላይ ኮሚቴ ዓረና ንሉአላዊነትን ዲሞክራሲን 2-3 ለካቲት 2011 ዓ.ም. ኣብዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ እቲ ውድብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝፈፀሞም ስራሓትን ብቐፃሊ በቲ ውድብ ክሰርሑ ዝተተለሙ ካብ ምግምጋም ብተወሳኺ ኣብ እዋናዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ከምዝዘተየ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ዓረና ኣይተ ዓምዶም ገብረስላሴ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ተዛሪቦም። ኣብዛ ሃገር እሱራት ፖለቲካ ምፍታሕ፣ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነበሩ ውድባትን ፖለቲከኛታት ናብ ውሽጢ ዓዲ ክኣትዉ ምግባርን ብተወሳኺ ድማ ዝተወሰነ ነፃነት ሚድያ ክህሉ ምግባር ዝሓውስ ለውጥታት ተመዝጊቡ ከምዘሎ እዚ ድማ ዓረና ከም ዝንእዶ ገሊፆም። እዚ ድማ ውፅኢት ቃልሲ መላእ ኢትዮጵያውያን እዩ ኢሎም። እንተኾነ ግና ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት’ዛ ሃገር ዝፍጠሩ ጎንፅታት ስዒቡ ዜጋተት ይመዛበሉ ምህላዎም ተዛሪቦም። ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተመዛቢሎም ናብ ትግራይ ንዝመፁ ዜጋታት መንግስቲ እዚ ክልል እኹል ሓገዝ ኣይገብርን ዘሎ ዝበሉ ኣይተ ዓምዶም በዚ ድማ ማሕበራዊ ቅልውላው ይፈጠር ኣሎ ኢሎም። መንግስታት ፌደራልን ክልልን ነዞም ወገናት ካሕሳ ክኸፍሎምን ናብርኦም ክመርሕሉ ዝኽእልሉ ባይታ ከዳልው ይግባእ ኢሉ ዓረና የተሓስስብ ኢሎም። ኣብ ኣኼባ እቲ ማእከላይ ኮሚቴ ኣብ ሞንጎ ክልላት ኲናት ንምኽፋት መንግሰታት ይዳለው ምህላዎም ዝርኣዩ ምልክታት ኣሎ እዚ ብቕልጡፍ ጠጠው ክብል ይግባእ ኢሎም። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፀዲቑ ዝተጣየሸ ኮሚሽን ምምሕዳር መንነትን ወሰንን ድማ ሕገ መንግስት ዝጥሕስ ብምዃኑ ዓረና ከምዝቃወሞ ገሊፆም። ኣብዚ ጉዳይ መብርሂ ዝሃቡ ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ እቲ ውድብ ኣይተ ኪዳነ ኣመነ እቲ ኮሚሽን ኣብ ሞንጎ ክልላት ዘሎ ምትፍናን ዘጋድድ እምበር ዝፈትሕ ኣይኮነን ኢሎም። ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ፀገም መበገሲኡ ገዛኢ ውድብ ኢህወደግን ኣብ ውሽጡ ዘለዉ ኣባል ውድባት እዮም ዝበሉ ኣይተ ዓምዶም እዚ ፀገም መንግስቲ ክፈትሖ ከምዘይኽእል ውድቦም ከምዘኣምን ብምግላፅ ነዚ ንምፍታሕ ብሄራዊ ናይ ሓድነት መንግስቲ ክምስረት ውድቦም ምሕታቱ ገሊፆም። ኣብ ኮሚሽን ምምሕዳር ወሰንን መንነትን ጠሚቱ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ሞንጎ ክልላት ይፍጠር ዘሎ ዘይምርድዳእን ሕቶ መንነት መፅናዕቲ ብምክያድ እቲ ኮሚሽን መፍትሒ ሓሳብ ዘቕርብ እዩ ብምባል መንግስቲ ኣድላይነት እቲ ኮሚሽን ይገልፅ ኣሎ:: ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ካብ ወከልቲ ትግራይ ተቓውሞ ወፃኢ ብአርባዕተ ድምፀ ተዓቅቦን ብብዝሒ ድምፂ ምፅዳቑን ቤት ምኽሪ ትግራይ እቲ ኮሚሽን ዝቃወም ውሳነ ምሕላፉ ይዝከር። ካብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ተመዛቢሎም ናብ ትግራይ ዝመፁ ብዛዕባ ዝግበረሎም ሓገዝ ጠሚቱ ንሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ሓቲትናየን። መንግስቲ ትግራይ ነቶም ተመዛበልቲ ንምጥያሽ ለገስቲ ኣተሓባቢሩ ፃዕሪ ይገብር ኣሎ ኢለን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%8A%93-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8B%B5%E1%8C%8D%E1%8D%8D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4788694.html"} {"headline":"ምምስራት ነጻ ዞባ ንግዲ ኣፍሪቃ ንዕብየት’ታ ኣህጉር ካብ መሰረቱ ክልውጦ’ዩ ተባሂሉ","content":"ምምስራት ነጻ ዞባ ንግዲ ኣፍሪቃ ንዕብየት’ታ ኣህጉር ካብ መሰረቱ ክልውጦ’ዩ ተባሂሉ። ዝተፈላለዩ ኣውፈርቲ ሰብ ሃብቲ ኣሜሪካ ምስ ኣፍሪቃ ንምስራሕ ዘለዎም ድልየት ይገልጹ ኣለው። መበል 32 ዋዕላ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ውሳነ ካብ ዝሃበሎም ሓያለ ጉዳያት ሓደ’ውን ዕብየት ቑጠባ ኣህጉር ኣፍሪቃ ከሳልጥ’ዩ ተባህሉ ዝተነግረሉ ዞባ ንግዲ ዝምልከት’ዩ። ኣብ ጎኒ ጎኒ’ቲ ዋዕላ መራሕቲ ዝተፈላለዩ አኼባታት’ውን ተኻይዱ ኔሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%90%E1%8C%BB-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%95%E1%8B%95%E1%89%A5%E1%8B%A8%E1%89%B5-%E1%89%B3-%E1%8A%A3%E1%88%85%E1%8C%89%E1%88%AD-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%A8%E1%89%B1-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8B%8D%E1%8C%A6-%E1%8B%A9-%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%82%E1%88%89\/4787131.html"} {"headline":"ጉጅለ ባህሊ ሰላም ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ተጓዒዙ","content":"ጉጅለ ባህሊ ሰላም ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታትት ኢትዮጵያ ናይ ሙዚቃ ምርኢት ንምቕራብ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተጓዒዙ። እዚ 62 ኣባላት ዘለዎ ጉጅለ ባህሊ ሰላም፡ገዳይምን ሓደስቲ መንእሰያት ደረፍትን ሙዚቀኛታትን ጉጅለ ባህሊ ስብሪትን ዝሓቖፈ ኮይኑ ዘመናውን ባህላዊ ደርፍታትን ትልሂታትን ከቅርብ‘ዩ። ካብ 16-21 ለካቲት 2019 ኣብ ከተማታት ባህርዳር፡ኣዳማን ሃዋሳን ከምኡ’ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሚለንየም ኣዳራሽ ሙዚቃዊ ምርኢት ከምዘቕርብ ተፈሊጡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%8A-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%8C%93%E1%8B%92%E1%8B%99\/4786884.html"} {"headline":"ሃረር፡ ኣብ ሃውልቲ ራእሲ መኮነን ዘጋጠመ ሓደጋ ኮነ ተባሂሉ ዝተፈጸመ ኣይኮነን ተባሂሉ","content":"ኣብ ከተማ ሃረር ኣብ ቐፅሪ ሆስፒታል ጁገል ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ሓውልቲ ራእሲ መኮነን ዘጋጠመ ሓደጋ ኮነ ተባሂሉ ዝተፈፀመ ኣይኮነን ተባሂሉ።ፖሊስ ነቲ ተግባር ፈፂሙ ዝተባህለ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘውዓለን ገሊፁ’ሎ።እቲ ሓውልቲ ናብቲ ዝነበረሉ ንምምላስ ሰብ ሞያ መጽናዕቲ የካይዱ ምህላዎም’ውን ተሓቢሩ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%88%A8%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%8B%8D%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%88%AB%E1%8A%A5%E1%88%B2-%E1%88%98%E1%8A%AE%E1%8A%90%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B-%E1%8A%AE%E1%8A%90-%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%82%E1%88%89-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%98-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8A%AE%E1%8A%90%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%82%E1%88%89\/4785219.html"} {"headline":"ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይዲ ዝቐነዩ ኣቶ ኢሳያስ ዳኘው ሚእቲ ሽሕ ቅርሺ ኣትሒዞም ንክፍትሑ በይኑ","content":"ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ዓቃቢ ሕጊ ንከይፍትሑ ይግባይ ስለዝበለ ኣብ ቀይዲ ዝቐነዩ ኣቶ ኢሳያስ ዳኘው፣ ሚእቲ ሽሕ ቅርሺ ኣትሒዞም ንክፍትሑ ሎሚ በይኑ። ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ተጠርጣሪ ኣቶ ኢሳያስ ዳኘው ተወሳኺ ምርመራ ኣለኒ ኢሉ ጊዜ ንክፍቀደሉ ሓቲቱ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ። ቤት ፍርዲ ሰማዒ ይግባይ ንሕቶ ዓቃቢ ሕጊ ነጺግዎ ነይሩ ። እቲ መስርሕ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ መዓልቲ ክሲ እንተዘይቀሪቡ፣ ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ ዘሕለፎ ብይን ካብ ማእሰርቲ ምፍታሕ ከምዝትግበር ኣዘኻኺሩ’ዩ። ሎሚ ዝተጋብኣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፣ ንክትዕ ክልቲኦም ወገናት ድሕሪ ምስማዕ ናብ’ቲ ውሳነ ከምዝበጽሐ ጋዜጣ ሪፖርተር ጸብጺቡ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8B%E1%8B%AD-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%8A%90%E1%8B%A9-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8B%B3%E1%8A%98%E1%8B%8D-%E1%88%9A%E1%8A%A5%E1%89%B2-%E1%88%BD%E1%88%95-%E1%89%85%E1%88%AD%E1%88%BA-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%88%92%E1%8B%9E%E1%88%9D-%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%91-%E1%89%A0%E1%8B%AD%E1%8A%91\/4785537.html"} {"headline":"ኦሮምያ፡ ኣብ ከተማ ዱሊላ ሓሙሽተ ሰባት ብሰራዊት ምክልኻል ከምዝተቐትሉ ነበርቲ ገሊጾም","content":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቦረና ወረዳ ሚኦ ከተማ ዱሊላ ትማሊ ሶሉስ ምሸት ክልተ መርዓውትንን ካልኦት ሰለስተ ሰባትን ብሰራዊት ምክልኻል ከምዝተቐትሉ ነበርቲ ገሊፆም።ካልኦት ክልተ ሰባት እውን ቆሲሎም። ሓደ ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ነባሪ ከተማ ዱሊላ ብዛዕባ’ቲ ፍጻመ ከምዚ ኢሎም። “ብሞተር ብሽክሌታ መርዓት ሒዞም ናብ ናይቲ መርዓዊ ገዛ እናኸዱ ነይሮም።ሓይልታት ምክልኻል እውን ኣብታ ከተማ ነይሮም።ደው ክብሉ ክነግሩዎም ከለው ነታ ሞተር ብሽክሌታ ደው ስለዘየበሉዋ ቶኪሶም ነቶም ተመረዓውቲ ቀቲሎምዎም።ህይወት ሰለስተ ሰባት ብከምዚ ጠፊኡ።ብምቕፃል እውን ኣብታ ከተማ ይጉዓዙ ንዝነበሩ ሰባት ቶኽሲ ከፊቶም ንሰለስተ ሰባት ቐቲሎም ብድምር ህይወት ሓሙሽተ ሰባት ጠፊኡ’ሎ” ኢሎም። ቀተልቲ ናብ ፍርዲ ክሳብ ዝቐርቡ ሬሳ ናብ ማእኸል ጥዕና ኣይንወስድን ከምዝበሉ እውን ተፈሊጡ። ዝቖሰሉ ናብ ያቤሎ ሆስፒታል ተላኢኾም ኣለው።ኣዘዝቲ ሰራዊት ምክልኻል ነቲ ጉዳይ የፃሪዩዎ ከምዘለው ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን እቲ ወረዳ ኣቶ ሳሩ ጉቴ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8B%B1%E1%88%8A%E1%88%8B-%E1%88%93%E1%88%99%E1%88%BD%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%90%E1%89%B5%E1%88%89-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/4785523.html"} {"headline":"ኣብ ከባቢታት ምብራቕ ደንብያን ጭልጋን ዝተላዕለ ኣብ መንነት ዘተኾረ ግጭት ምቕጻሉ ነበርቲ ገሊጾም","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ምብራቕ ደንብያ ጭልጋን ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ዝተላዕለ ኣብ መንነት ዝጠመተ ግጭት ሎሚ እውን ከምዝቐፀለ ነበርቲ ገሊፆም።በቲ ግጭት ህይወት ሰብ ምጥፍኡን ልዕሊ 45,000 ሰባት ከምዝተመዛበሉን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ገሊፁ። ኣብ መንነት ዘተኮሩ ግጭትታ ብምፍጣሮም ህይወት ሰብ ጠፊኡ፣ብኣሽሓት ዝቑፀረ ኣባይቲ ነዲዶም።ካብ ዞባታት ምዕራብን ማእኸላይን ጎንደር ልዕሊ 45,000 ዜጋታት ተመዛቢሎም ኣለው።እቲ ግጭት ሎሚ እውን ደው ከምዘይበለ ካብ ወገን ኣምሓራን ቅማንትን ዝኾኑ ነበርቲ እቲ ከባቢታት ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም ኣለው። እዞም ነበርቲ ብተወሳኺ ህዝቢ መንበሪኡ እናገደፈ ከምዝተመዛበለን ብዙሕ ሰብ ከምዝሞተን ከምዝቖሰለን ገሊፆም። ካብ ወገን ኣምሓራ ዝኾኑ ነባሪ ጭልጋ ኣቶ ምስጋናው ከምዚ ኢሎም። “ቀዳማይ እዚ ኹሉ ዝፍፅሙ ዘለው ዝፍለጡ ሰባት እዮም።ካልኣይ ድማ መንነቶም ዘይንፈልጦም ሰባት እዮም ዝጭፍጭፉና ዘለው።” ካብ ወገን ቅማንት ዝኾኑ ነባሪ ከተማ ጭልጋ ኣቶ ማስረሻ ኣለሙ ብወገኖም ሽግር ይፈጥሩ ዘለው ናይቲ መንግስቲ መሪሕነት እዮም ይብሉ።ሕገ መንግስታዊ መሰልና ተጠቒምና ዝሓተትናዮ ኣይመለሱን ኢሎም። “ናይቲ ግጭት መንቀሊ ሰበስልጣን መንግስቲ ናይቲ ክልል እዮም።ቅማንትን ኣምሓራን ፀገም የብሉን።ኣቦይ ቅማንት፣ኣደይ ድማ ኣምሓረተይቲ እያ።ኣይተፃላእናን።ዘይተመራዐወን ዘይተዋለደን የለን።ናይ ቅማንት ኮሚቴ ዝብሃል እናተባረረ ስለዝኾነ ዝበዝሕ ፈቐዶ በረኻ እዩ ሰፊሩ ዘሎ።” ሓደ ካብ ኣባላት ኮሚቴ ቅማንት ኣቶ ሙሉጌታ እሸቱ ሕቶ ናይ ሰለስተ ናይ ገጠር ቀበሌታት ብሕጋዊ ኣገባብ ምላሽ እንተድኣ ዘይረኺቡ እቲ ከባቢ ክረጋጋእ ኣይክእልን ይብሉ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህንፀት ሰላምን ደሕንነትን ክልል ኣምሓራ ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ፅጌ ኣብ ቀረባ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ኣባላት ሕቶ መንነት ቅማንት ዘቕርቡወን ሰለስተ ቀበሌታት ህውሓት ወታደራዊ ስልጠና ክህበለን ዝፀንሓ ምዃነን ንፈልጥ ኢና ኢሎም። ካብ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮምኒኬሽን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ መልሲ ንምርካብ ዝገበርኩዎ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይተዓወተን ክትብል ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ባህርዳር ሓቢራ’ላ። ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኔሽን ክልል ኣምሓራ ኣቶ ኣሰማሀኝ ኣስረስ ኣብ ቀረባ ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ነቲ ግጭት ዘጎሃህሩዎ ዘለው ነቲ ማሕበረሰብ ከም ጫካ ብምጥቓም ኣብ ውሽጢ እቲ ህዝቢ ዝንቀሳቐሱ ገበነኛታት እዮም ኢሎም። እቲ ሽግር ሱር እናሰደደ ብምምፅኡ ፌደራል መንግስቲ ጣልቃ ክኣት ጻውዒት ምቕራቡ’ውን ተገሊጹ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%89%95-%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%A5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8C%AD%E1%88%8D%E1%8C%8B%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%89%B0%E1%8A%BE%E1%88%A8-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%8C%BB%E1%88%89-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/4783753.html"} {"headline":"ልዑላውነት ኤርትራ ይከበር፡ መንግስቲ ንህዝቡ ይሓብር ዝብሉ ኤርትራውያን ሎሚ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም","content":"ልዑላውነት ኤርትራ ይከበር ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝግበሩ ስምምዓት ንህዝቢ ግልጽነት ይሃልዎም ዝብሉ ኤርትራውያን፡ ሎሚኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኤርትራ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም። እቶም ናብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ `ውን ዘምርሑ ሰልፈኛታት፡ መንግስቲ ኤርትራ እንታይ ይገብር ከምዘለዎ ንጹር ኣይኮነን፡ ንህዝቢ ብግልጺ ይንገር ዝብልን፡ ነታ ሃገር ናብ ንቡር ግዝኣተ-ሕጊ ክመልስን ዝጽውዕን`ዩ ኢሎም ድምጺ ኣሜሪካ ብስልኪ ዘዘራረቦም ዶ\/ር ሓዲሽ ሓጎስን ኣቶ ነጋሲ ገብረዮናስን ዝተባህሉ ኤርትራውያን “ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክሕውስዋ ዝሓልሙ” ዝበልዎም ኢትዮጵያውያን `ውን ብምኹናን “ኢድኩም ኣክቡልና” ዝብል መጸዋዕታ ኣመሓላሊፎም።- ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8D%E1%8B%91%E1%88%8B%E1%8B%8D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%AD%E1%8A%A8%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%95%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A1-%E1%8B%AD%E1%88%93%E1%89%A5%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8A-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8A%A3%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D\/4782235.html"} {"headline":"ፕረዚደንት ጊኒ ኣልፋ ኮንደ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም","content":"ፕረዚደንት ጊኒ ኣልፋ ጎንደ ብፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝተወስደ ስጉምቲ ምምላስ ሰላምን ምትሕብባርን ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኢዶም ክብል መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ኤርትራ ሻባይት ሓቢሩ። ፕረዚደንት ኣልፍ ኮንደ ብቀዳም ናብ ከተማ ምጽዋዕ ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተራኺቦም ኣብ ምሕያል ክልቲኣዊ ዝምድና፡ ምምዕባል ዝምድና ኣፍሪቃ ኣብ ዓለማዊ መድረኽን ምሕያል ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ምዝታዮም ሻባይት ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። ብመሰረት ሻባይት ፕረዚደንት አልፍ ኮንደ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሓ ስምምዕ ሰላም ብምንኣድ ኣብነታዊ ትበግሶ ንሰላምን ምርግጋእ እቲ ዞባ ዓብይ ኣበርክቶ’ዩ ኢሎም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8C%8A%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%8D%8B-%E1%8A%AE%E1%8A%95%E1%8B%B0-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/4781989.html"} {"headline":"ስሉሳዊ ኣኼባ መራሕቲ ግብጺ፡ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተካይዱ","content":"ኣብ ጎኒ ጎኒ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተራኸቡ ናይ ኢትዮጵያ፡ግብጽን ሱዳንን መራሕቲ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ዘተኾረ ስሉሳዊ አኼባ አካይዶም። ትማሊ ንግሆ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ተራኺቦም ዝተዘራረቡ መራሒ ግብጺ ዓብድልፈታሕ ኣልሲሲስ፡መራሒ ሱዳን ዑመር ኣልበሽርን ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ግድብ ህዳሴ ኣተኹሮም ምዝርራቦም ሚንስትር ጸዓት፡ማይ፡ መስኖን ኤሌትሪክን ኢትዮጵያ ኢንጅነር ስለሺ በቀለ ንጋዜጠኛታት ገሊጾም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B5%E1%88%89%E1%88%B3%E1%8B%8A-%E1%8A%A3%E1%8A%BC%E1%89%A3-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%8C%BA-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%89%B0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/4781942.html"} {"headline":"ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ካሜሮን ክካየድ ዝቐነየ ‘ቱር ዲ ለስፕዋ’ ተዓዊታ","content":"ኣብ ካሜሩን ኣብ ዝተኻየደ ዙር ግምቢ ተስፋ ቅድድም ብሽክለታ Tour de l'Espoir ትሕቲ 23 ዓመት ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብውልቅን ብጋንታን ዓወት ተጎናጺፎም። ኣብቲ ካብ ዝሓለፈ ሶኑይ ጀሚሩ ኣከታቲሉ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ግምቢ ተስፋ ካመሩን: ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ናትናኤል ተስፋጽዮን ብ 88 ነጥቢ: ያቆብ ደበሳይ ብ 86 ነጥቢ ከምኡውን ናትናኤል መብራህቶም ብ 63 ነጥቢተመራሪሖም ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ዓብላሊ ውጽኢት ኣመዝጊቦም። ጃፓናዊ ሾይ ማትሱዳ ድማ ራብዓይ ኮይኑ ተሰሪዑ ኣሎ። ኣብ ዙር ግምቢ ተስፋ ካመሩን ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብዘይካ ብፖርቱጋላዊ ፍራንሲስኮ ካምፖስ ኣብ ካልኣይ መድረኽ ከምኡ’ውን ብርዋንዳዊ ሞይስ ሙገሻ ኣብ ሓምሻይ መድረኽ ኣብ ኩሉ ካልእ መድረኻት ብምዕዋቶም እዮም ብናይ ውልቅን ብናይ ጋንታን ክዕወቱ ዝኸኣሉ። ኣብ ዙር ግምቢ ተስፋ ካሜሩን Tour de l'Espoir ትሕቲ 23 ዓመት ካብ ኣርጀንቲና: ኣልጀርያ: በኒን: ቡርኪናፋሶ: ካሜሮን: ኣይቨሪኮስት: ኤኳዶር: ግብጺ: ኤርትራ: ኢትዮጵያ: ጃፓን: ሞሪሽየስ: ሞሮኮ: ፖርቱጋል: ርዋንዳ: ቱኒዝያ: ሕቡራት ተቐዳደምቲ ኣፍሪቃን ሕብረት ኤውሮጳን ዝወከላ ጋንታታት ይሳተፋ ምህላወን መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ዙር የረጋግጽ። ኣብ ዙር ተስፋ ካሜሩን ትሳተፍ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ትሕቲ 23 ዓመት ብኣሰልጣኒ ዮናስ ዘካርያስ (ሓላባይ) ትእለ ምህላዋ ብተወሳኺ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8C%8B%E1%8A%95%E1%89%B3-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AB%E1%88%9C%E1%88%AE%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%8A%90%E1%8B%A8-%E1%89%B1%E1%88%AD-%E1%8B%B2-%E1%88%88%E1%88%B5%E1%8D%95%E1%8B%8B-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%8A%E1%89%B3-\/4781584.html"} {"headline":"መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበበ ክትኣናግድ`ዩ","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንመጀመርያ ግዜ ንዝካየድ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበበ ክትኣናግድ`ዩ። ሓላፊ ፕረስ ቤት-ጽህፈት ቀ\/ሚ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ኣብ`ታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ለውጢ ነቶም መራሕቲ ኣፍሪቃ ንምግላጽ ከምዝጥቀመሉን ብዛዕባ ዓወት መስርሕ ለውጥን ብድሆታቱን`ውን ነቶም መራሕቲ ንምግንዛብ ጽቡቕ ዕድል ምዃኑን ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብሪሁ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8C%BD%E1%89%A3%E1%88%95-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A0-%E1%8A%AD%E1%89%B0%E1%8A%A3%E1%8A%93%E1%8C%8D%E1%8B%B5-%E1%8B%A9\/4778748.html"} {"headline":"ምልቃቕ ኣቶ ዛዲግ ኣብርሃ ካብ ህውሓትን መልሲ ኣቶ ነጋ ኣሰፋን","content":"ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ\/ህውሓት\/ ዝነበሩ ኣቶ ዛዲግ ኣብርሃ ካብ ኣባልነት ህውሓት ንምልቃቕ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ፍሉይ ዞባ ኣዲስ ኣበባ ብዓል ሓሙሽተ ገፅ ደብዳበ ኣቕሪቦም። ካብቲ ውድብ መልቀቒ ምኽንያቶም ክገልፁ ከለው መራሕቲ ህውሓት ብቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድን ምኽትሎም ኣቶ ደመቀ መኮነንን ንዝምራሕ ለውጢ ይቃወምዎ ከምዘለው ከም ሓደ ምኽንያት ገሊፆም። ‘’ዝመፃእኽሉ ማሕበረሰብ ናይ መንነት ሕቶ ብምልዓሉ ብማእሰርቲ፣ምንክልባትን መቕተልትን ይምለሰሉ ስለዘሎ ነዚ ተሰኪመ ንምቕፃል ሕልናይ ኣይፈቅድን’’ ክብሉ እውን ወሲኾም ሓቢሮም። ኣብ ቤት ፅሕፈት ህውሓት ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ገጠር ኣቶ ነጋ ኣሰፋ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ግን ኣቶ ዛዲግ እዞም ሕቶታት ኣብ ዝኾነ ይኹን መድረኻት ኣልዒሎምዎም ኣይፈልጡን ኢሎም። ኣቶ ዛዲግ ኣብ ዝሓለፈ መበል 13 ጉባኤ ህውሓት ንማእኸላይ ኮምቴ ተፀሪሖም ከምዝነበሩ ብምዝኽኻር ኣቶ ዛዲግ ዝለዓለ ናይ ስልጣን ድሌት ከምዘለዎም ካብ ጉባኤተኛታት ብዘጋጠሞም ተቓውሞ ከምዝተረፉ ብምሓብር ኣብ እዋን እቲ ምፅራሕ ግን ንሶም ኣብ ህውሓት እቲ ዝበሉዎም ፀገማት ወይ ኣፈላላያት ስለዘለኒ ክምረፅ ድልየት የብለይን ኢሎም ኣብ ክንዲ ምቅዋም ህውሓት ተካይዶም ንዘላ ለውጥታት ብምድጋፍ ክምረፁ ከምዝተኸራኸሩ ገሊፆም። ህውሓት ናይ ለውጢ ዕንቅፋት እዩ ንዝብል እውን ቅድሚ ኩሉ ለውጢ ከምዘድሊ ዝገምገመን ክሳብ ናይ ኣመራርሓ ለውጢ ዘምፅአን ህውሓት እዩ ኢሎም ኣቶ ነጋ። ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/zadi-abraha-resignation-and-tplf-reaction\/4775686.html"} {"headline":"ፓርላማ ኢትዮጵያ ንኮሚሽናት ዕርቀሰላምን ወሰንን መንነትን አጽዲቑ","content":"ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነቲ ብቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ዝቀረበሉ ንኣባላት ኮሚሽን ዕርቀ-ሰላምን ኮሚሽን ወሰን ምምሕዳርን መንነትን ኣጽዲቕዎ። እቲ ቤት ምኽሪ ንምቛም እቶም ኮሚሽናት ብብዝሒ ድምጺ ተቐቢልዎ ኣሎ፣ እንተኾነ ወከልቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ ትግራይ ንምስረታ ክልቲኦም ኮሚሽናት ተቓዊሞምዎ ኣለው። ኣብ ኮሚሽን ወሰን ምምሕዳርን ጉዳይ መንነትን ተጸንቢሮም ዝነበሩ ዶ\/ር ኣሰፋ ፍስሃ ዳሃር ካብ’ቲ ዝርዝር ኣባላት ኮሚሽን ከምዝወጸ’ውን ተገሊጹ ኣሎ። እቶም ዝተሾሙ ኣባላት ኮሚሽን ብፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ወ\/ሮ መዓዛ ኣሸናፊ ኣቢሎም’ዮም ንቃለ መሓላ ፈጺሞም። ኣብ’ታ ሃገር ንዝለዓሉ ጉዳያት መንነትን ወሰንን ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንምድቃስ ኮሚሽን ንክምስረቱ ዝገበሩ ቀ\/ሚ ሎሚ ድማ ንኣባላት ኮሚሽን ናብ’ቲ ፓርላማ ሊኢኾም’ዮም። ኣብ’ቲ ኮሚሽን ኣስማቶም ተሓቁፉ ዝቀረቡ 41 ሰባት’ዮም። ፕረዚደንታት ነበር፡ ሰበ ስልጣን፡ ፖለቲከኛታት፡መማህራን ዩኒቨርስቲታትን፣ ፍሉጣት ውልቀ-ሰባትን ይርከቦም። ንኮሚሽን ዕርቀ-ሰላም ዝተመዘዙ ድማ 42 ኣባላት’ዮም። ምሁራት፣ ሃይማኖታዊ ኣቦታት፣ ዓበይቲ ዓዲን ውሩያት ውልቀ ሰባትን ኣብ’ቲ ኮሚሽን ኣትዮም ኣለው። ኣቶ ጫላ ለሚ ኣብ’ቲ ፓርላማ ተሓጋጋዛይ ተወካላይ መንግስቲ ነቲ ፓርላማ ክዛረቡ ከለው ኣባላት ኮሚሽን ዝተፈላለዩ ምኳኖም ገሊጾም። “ምሁራትን ውሩያት ውልቀ-ሰባት፣ ከምኡውን ፖለቲከኛታት ሓዊስካ፣ ንክሕወስዎም ጻዕሪ ተገይሩ ኣሎ። ዝተፈላለየ ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎም ንክሕወሱ’ውን ጻዕሪ ተገይሩ’ዩ።” መብዛሕተኦም ኣባላት ፓርላማ ንምቛም’ቶም ኮሚሽናትን ኣባላቶምን ደጊፎም ርእይቶም ሂቦም ኣለው። ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ይቃወሙ ዝጸንሑ ተመረጽቲ ወከልቲ ትግራይ ግና ሎሚ’ውን ተመሳሳሊ ርእይቶ ኣንጸባሪቖም ኣለው። ሓደ ካብኣቶም ኣባል ፓርላማ ኣቶ ኣሰፋ ጉግሳ ንኣብነት ‘መን ምስ መን ንከተዓርቕ’ዩ ኮሚሽን ዘድልየና?’ ዝብል ተቓዋሚ ርእይቶ ኣቃሊሖም ኣለው። “ህዝቢ ኢትዮጵያን ኣፍሪቃን ኣብ መንጉኡ ጽልኢ የብሉን። ህዝቢ ዓለምውን እንተኾነ። ስለዚ ገዛእቲ ሸምገልቲ ዝኾንሉ፣ ዘይተጻለአ ውጹዕ ህዝቢ ተዓረቕ ዝባሃለሉ ከመዮ ዝበሃል ‘ዘበንያ ግርምቢጥስ ማይ ንዓቀብ ኮይኑና ኣሎ።” ኣስዒቦም ኣቶ ኣበበ ከፈኔ ካብ ኦሮምያ መልሲ ንወካሊ ትግራይ ከም’ዚ ክብሉ ሂቦም ኣለው። “ከም ሓቂ እንተኾይኑ ንዕርቂ ዝጸልእ ከምሃይማኖትና እንተኾይኑ ሰይጣን ጥራሕ’ዩ። ዕርቂ ሰላም የምጽእ። ነባሪ ሰላም የረጋግጽ። ሎሚ ናይ ይቕረታን ምሕረትን ዕለት’ያ እናበልና፣ እዚ ድማ ሱር ንክሰድድን ዝላዓለ ኣበርክቶ ዝህልዎን’ዩ። ኣባላት’ዛ ኮሚሽን ድማ ንዝላዓለ መዐቀኒ ዘማልኡ’ዮም።” ኣቶ ጫላ ለሚ ወሲኾም “ምቛም’ቶም ኮሚሽናት ክላዓል ዝነበሮ ሎሚ ዘይኮነስ እቲ ቀዳማይ ውሳነ ክሓልፍ ከሎ’ዩ” ኢሎም። ሹመት ኮሚሽን ወሰንን መንነትን ብ22 ተቃውሞን 4 ድምጸ ተዓቅቦን ብብዝሒሓ ድምጺ፣ ኮሚሽን ዕርቀ ሰላም ድማ ብ16 ድምጸ ተቃውሞን 8 ድምጸ ተዓቅቦ እዚ’ውን ብብዝሒ ድምጺ ሓሊፉ’ሎ። እዚ ከም’ዚ’ሉ ከሎ፣ ካብ ሞንጎ’ቶም 41 ንኣባላት ኮሚሽን ወሰን ምምሕዳርን መንነትን ተሓጽዮም ዝነበሩ ሓደ ዶ\/ር ኣሰፋ ፍስሃ ኣብ ቅድሚ ኣባላት ፓርላማ ቀሪቦም ቃለ መሓላ ከምዘይፈጸሙ ዝረኸብናዮ ዜና ሓቢሩ። ስሞም ክዕቀበሎም ዝመረጹ ምንጭታት ድምጺ ኣሜሪካ \"ዶ\/ር ኣሰፋ ፍስሃ ካብ’ቲ ዝርዝር ዝወጹ ኣቐዲሙ ዘዘራረቦም መንግስታዊ ኣካል ከምዘይነበረ ኣዘኻኺሮም ብምኽንያት ናብ ዝምልከቶ ኣካል ዘቕረብዎ ስምዕታ'ዩ\" ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%88%8B%E1%88%9B-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8B%95%E1%88%AD%E1%89%80%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A0%E1%8C%BD%E1%8B%B2%E1%89%91\/4775639.html"} {"headline":"ብሚንስትር ዓለምለኸ ልምዓት ኖርወይ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኻት ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ኣብ ክልል ትግራይ አካይዶም","content":"ብሚንስትር ዓለምለኸ ልምዓት ኖርወይ ዳጊ ንግ ኡልስቲን ዝምራሕ ጉጀለ ልኡኻት ኣብ ትግራይ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ኣካይዱ። እቶም ሚንስተር ምስ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ ብሓገዝ መንግስቲ ኖርወይ ዝካየድ ስራሕቲ ልምዓትን ውፅኢቶምን ብተወሳኺ ድማ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተጀመረ ከይዲ ሰላም ጠሚቱ ዘትዮም። ናብ መዝነት ካብ ዝመፁ ገና ክልተ ሰሙን ዘይመልኦም ሚኒስትር ዓለምለኸ ልምዓት ኖርወይ ዳጊ ንግ ኡልስቲን ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ብምኽያድ ኣብ ትግራይ ብሓገዝ መንግስቲ ኖርወይ ይፍፀሙ ዘለዉ ስራሕቲ በጺሖም። ኣብ ትግራይ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ዝካየዱ እዞም ሚንስትር ምስ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶ\/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል እውን ዘትዮም እዮም። እቶም ሚንስትር ድሕሪ’ቲ ዘተ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ዘተኦም ውፅኢታዊ ምንባሩ ተዛሪቦም። ብሓገዝ ልምዓት መንግስቲ ኖርወይ ኣብ ትግራይ ስራሓት ልምዓት፡ ሃብቲ ተፈጥሮን ትምህርቲን ዝተፈላለዩ ስራሓት ይፍፀም ኣሎ ክብሉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ገሊጾም። ብተወሳኺ ድማ መንግስቲ ኖርወይ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰላም ክሰፍን ክሰርሕ ፀኒሑ እዩ ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን ሐዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሰላም ትግራይ ምስ ኤርትራ ትዳባው ብምዃና ከም ትግራይ ዘሎ ድልየት እንታይ እዩ ኢሎም ሓቲቶምና ንሰላም ዘለና ልዑል ድልየት ገሊፅናሎም ኢሎም። እቶም ሚንስትር ምስ ኣባለት ጉጅለኦም ዘካየድዎ ዑደት ዛዚሞም ሎሚ ድሕሪ ቐትሪ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሶም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AD-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%88%8D%E1%88%9D%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%8A%96%E1%88%AD%E1%8B%88%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D\/4775251.html"} {"headline":"ኤርትራዊያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኣብ ካሜሮን ዝኻየድ ዘሎ ዙር ተስፋ ኣንጸባራቒ ዓወት የመዝግቡ","content":"ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኣብ ካሜሩን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ቅድድም ብሽክለታ ዙር ተስፋ ማለት Tour De l’Espoir ኣንጸባራቒ ዓወት ኣብ ምምዝጋብ ይርከቡ። ብመሰረት ዝተረኽበ ሓበሬታ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ 68.3 ኪ.ሜ ዝሸፈነ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ተስፋ ካሜሩን ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ያቆብ ደበሳይ ተዓዊቱ ኣሎ። በቲ ዓወት ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ያቆብ ደበሳይ ብጫ ማልያ ካብ ወዲ ጋንትኡ ናትናኤል መብራህቶም ከምዝተረከባ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብደረጃ ጋንታን ውጽኢት ተቐዳደምትን ኣብ መሪሕነት ትርከብ። ዛጊት ተዋህሊሉ ብዘሎ ነጥቢ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ያቆብ ደበሳይ ብ 53ነጥቢ ቀዳማይ ናትናኤል መብራህቶም ብ46 ነጥቢ ካልኣይ ከምኡውን ሞሮካዊ ሳባሕ ላሕሰን ብ 34 ነጥቢ ሳልሳይ ኮይኖም ውድድሮም ይቕጽሉ ኣለው። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%89%90%E1%8B%B3%E1%8B%B0%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%89%A5%E1%88%BD%E1%8A%AD%E1%88%88%E1%89%B3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AB%E1%88%9C%E1%88%AE%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8B%99%E1%88%AD-%E1%89%B0%E1%88%B5%E1%8D%8B-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%8C%B8%E1%89%A3%E1%88%AB%E1%89%92-%E1%8B%93%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%8B%A8%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8C%8D%E1%89%A1\/4775136.html"} {"headline":"ናይ ኢትዮጵያ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኣብ መንጎ ዓቃቢ ሕጊን ኣቶ ኢሳያስ ዳኘውን ብዝጸንሐ ክርክር ዘንበሮ ናይ እገዳ ትእዛዙ ኣልዒልዎ","content":"ነቲ ጉዳይ ክርኢ ዝፀንሐ ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ ውሳነ ክህበሉ’ውን ናብኡ ልኢኹዎ’ሎ። ናይ ኢትዮጵያ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኣብ መንጎ ዓቃቢ ሕጊን ኣቶ ኢሳያስ ዳኘውን ዝጸንሓ ክርክር ዘንበሮ ናይ እገዳ ትእዛዙ ኣልዒሉ።ነቲ ጉዳይ ክርኢ ዝፀንሐ ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ ውሳነ ክህብ’ውን ልኢኹዎ’ሎ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ሎሚ ሶሉስ ኣብ ዝወዓሎ መጋባእያ ኣብ መንጎ ዓቃቢ ሕግን ኣቶ ኢሳያስ ዳኛውን ዘሎ ክርክር ዝርኣዮ ኣብ ቤት ፅሕፈቱ እዩ። ጠበቓኦም ንኣቶ ኢሳያስ ቅድም ክብል ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ከምዘሰናበቶም ብምዝኽኻር ሎሚ ስለምንታይ ከምዝቐረቡ ከምዘይፈልጡ ገሊፆም። ቤት ፍርዲ ጥርጡር ኣቶ ኢሳያስ ብዋሕስ ክፍትሑ ወሲኑ እንተነበረ እውን ዓቃቢ ሕጊ ነዚ ብምቅዋም ንጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ይግባይ ኢሉ ንትእዛዝ ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ ብምእጋድ ኽሲ ንምቕራብ 10 መዓልታት ኣፍቂዱ።ናይ ኣቶ ኢሳያስ ጠበቓ ዓሚሎም ናብዚ ቤት ፍርዲ ዝቐርቡሉ ምኽንያት የለን፣ዓቃቢ ሕጊ ኣብዝደለዮ ግዜን ቦታን ከከላብቶም ሕጊ ኣየፍቅደሉን ክብሉ ተኸራኺሮም። ቤት ፍርዲ ብወገኑ ዓቃቢ ሕጊ ሓዱሽ ጥርዓን ነዚ ቤት ፍርዲ እዚ ምቕራቡ ብምግላፅ ጥርዓን ናይ ምቕባልን ምምርማርን ግቡኡን ስልጣኑን ምዃኑ ገሊፁሎም። እቲ ቤት ፍርዲ ንጥርዓን ዓቃቢ ሕጊን ናቶም ክርክርን ሰሚዑ ንምውሳን ክልቲኦም ንፅባሕ 29 ጥሪ 2011 ዓ.ም ክቐርቡ ትእዛዝ ሂቡ’ሎ።ኣቶ ኢሳያስ ዳኘው ኣብ ክልል ሶማሌ ብሜቴክ ምስ ዝተሰርሑ ናይ ኢትዮ-ቴሌኮም ትካላት ብዝተኣሳሰረ ብገበን ብልሽውና ተጠርጢሮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ይፍለጥ። ብኻልእ ናይ ቤት ፍርዲ ዜና ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ድሬዳዋ ኣብ ዝነበረ ሃይማኖታዊ በዓል ምስ ዝተፈጥረ ተቓውሞ ተሳቲፍኩም ብዝብል ዝተትሓዙ 27 ተጠርጠርቲ ዘቕረብዎ ሕቶ ይግባር ቤት ፍርዲ እቲ ምምሕዳር ውዱቕ ገይሩዎ። ኣባ ከተማ ዕግርግር ክፍጠር ኣተሓባቢሮም፣መንገዲ ዓፂዮምን ካልኦት ጥፍኣታት ፈፂሞን ብዝብል 308 ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም ብሰለስተ መዛግብቲ ጉዳዮም ይርአ ምህላው ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብቲ ቦታ ሓቢሩ’ሎ ይብል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8C%A0%E1%89%95%E1%88%8B%E1%88%8A-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8B%B3%E1%8A%98%E1%8B%8D-%E1%8B%98%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%88%AE-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A5%E1%8C%88%E1%8B%B3-%E1%89%B5%E1%8A%A5%E1%8B%9B%E1%8B%9D-%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%8B%92%E1%88%8D%E1%8B%8E\/4773761.html"} {"headline":"ናይ ኢትዮጵያ ህዝቢ ኣርበኞች ግንባር ኣብ ባህርዳር ዘካየዶ ጉባኤ ኣቦ መንበርን አባላት ፈጻሚ ስራሕ ብምምራጽ ዛዚሙ","content":"ናይ ኢትዮጵያ ህዝቢ ኣርበኞች ግንባር ኣቦ መንበርን 9 ኣባላት ፈፃሚ ስራሕን ብምምራፅ 25ን 26ን ጥሪ 2011 ዓ.ም ኣብ ከተማ ባህር ዳር ዘካየዶ ጉባኤ ዛዚሙ።ኣብቲ ጉባኤ ኣስታት 400 ኣባላቱ ከምዝተሳተፉ እውን ተፈሊጡ’ሎ። ሓዱሽ ኣቦ መንበር ኮይኖም ዝተመርፁ ኣቶ ወርቁ በለጠ ከምዚ ኢሎም። “ሓቀኛ ዲሞክራሲያዊ መሰሉ ንክኽበር ብፍላይ ኣብ ሕቶታት ወሰንን መንነትን ዝልዓሉ ጉዳያት ንምፍፃም ዝተፈላለዩ ሓገዛት ክንገብር ኢና።ሓርበኝነት ንህዝብን ሃገርን ምሕላው ስለዝኾነ ነዚ ንምፍፃም ምስ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ውድብ ብሓባር ንምስራሕ ፃዕሪ ክንገብር ኢና” ኢሎም። እቲ ውድብ ምስ ግንቦት 7 ዝነበሮ ጥምረት ኣብ ወርሒ መስከረም ምፍራሱ ምግላፁ ይዝከር። ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ኣርበኞች ግንቦት 7 ኣቶ ኤፍሬም ማዴቦ ብዛዕባ ምፍራስ እቲ ጥምረት ተሓቲቶም ኣብዝሃብዎ መልሲ ኣርበኞች ግንቦት 7 ኣይፈረሰን ኢሎም። “ዝተነፀለ ዝብሃል ነገር የለን፤ኣርበኞች ግንቦት 7 ዝብሃል ውድብ ኣሎ፤ሕጂ ክሳብ ምስረታ ፓርቲ ክቕፅል እዩ።” እቲ ጉባኤ 9 ኣባላት ፈፃሚት ስራሕን 49 ኣባላት ቤት ምኽሪን ምምራጹ ተገሊጹ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8A%A3%E1%88%AD%E1%89%A0%E1%8A%9E%E1%89%BD-%E1%8C%8D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%AD%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B6-%E1%8C%89%E1%89%A3%E1%8A%A4-%E1%8A%A3%E1%89%A6-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8D%88%E1%8C%BB%E1%88%9A-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%AB%E1%8C%BD-%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%99\/4773535.html"} {"headline":"መቐለ፡ ንመንእሰያት ካብ ወልፊ ንምንጋፍ ዝስርሕ ትካል","content":"ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ትሕቲ ዩኒቨርስቲ መቐለ ዝተጣየሸ ንመናእሰይ ካብ ወልፊ ንምንጋፍ ዓሊሙ ዝሰርሕ ማእከል ኣሎ፡፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ስነ ልቦና ኣይተ ወልዳይ ሓጎስ ኣተሓባባሪ እቲ ማእከል ኮይኖም ንኣቀባብላን ስርሓትን እቲ ማእከል ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም፡፡ ኣይተ ወልዳይ ወልፊ ዘለዎም ሰባት ናብዚ ማእከል ቅድሚ ምምፅኦም ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ብምኻድ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ክወሃቦም ይግበር፡፡ ድልውነቶም ከረጋግፁን ክውስኑን ምስ ተገበረ ናብ ማእከል ይመፅኡ ይብሉ፡፡ ንሶም ቀፂሎም ናብዚ ማእከል ካብ ትግራይ፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ክልላት ኣምሓራ፣ቤንሻንጉል ፣ዓፋርን ደቡብን ብዘይካ እዚአም ትውልደ ኢትዮጵያውያን ኮይኖም ኣብ ኣሜሪካ፣ኣውስትራልያ፣ቻይናን ስዑድ ዓረብን ዝነብሩ እውን ኣብ ማእከልና ብምእታው ካብ ወልፊ ነፃ ክኾኑ ተገይሩ እዩ፡፡ ዛጊት ብድምር ከባቢ 500 ዝኮኑ ኣትዮም ኣብዚ ሕጂ እዋን 14 ጥራይ ኣብ ማእከልና ይርከቡ ክብሉ አረዲኦም፡፡ ኣይተ ወልዳይ ሓጎስ እዚኦም ሜዲካል ዶክተራት፣ኢንጅነራት፣ጋዜጠኛታት፣ሓረስቶት ከይተረፉ ናብ ማእከልና ኣትዮም ካብ ወልፊ ሓራ ኮይኖም ኣፍረይቲ ዜጋ ኮይኖም ይርከቡ ይብሉ ፡፡ እቲ ወልፊ ዝተሓዙሉ ብመርፍእ ዝውሰድ፣ መስተ ጫትን ካልእን እዩ፡፡ ምስ ኣይተ ወልዳይ ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል፡፡ No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%8C%8B%E1%8D%8D-%E1%8B%9D%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D\/4771744.html"} {"headline":"ሓወልቲ ኣክሱም ቅልጡፍ ፅገና ተዘይተገይርሉ ክወድቕ ይኽእል እዩ ተባሂሉ","content":"ሓወልቲ ኣክሱም ቅልጡፍ ፅገና ተዘይተገይርሉ ክወድቕ ይኽእል እዩ ተባሂሉ። ካብ ሓወልታት ኣክሱም እታ ሳልሳይቲ ዝነውሐት ሓወልቲ፤ ካብ ሮም ኢጣልያ ናብ ውሽጢ ዓዲ ኣትዩ ኣብ ዝትከለሉ እዋን ፀገም ኣጋጢምዎ እዩ። ኣብቲ ሓወልቲ ንነዊሕ ጊዜ መፅናዕቲ ዘካየዱ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ኣርኪዮሎጂ ዶክተር ሕሉፍ በርሀ “እታ ሓወልቲ ህጹጽ ፅገና እንተዘይረኺባ ሓደጋ ከጋጥማ ይኽእል እዩ” ኢሎም። “ቅድሚ 100 ዓመታት ኣብ ልዕሊ’ቲ ሓወልቲ ዝተኻየደ ኣርኬሎጂካዊ መፅናዕቲ ከምዝሓበሮ ብ0.9 ዲግሪ ናብ ኣንፈት ሰሜን ምብራቕ ምዝነባሉ የርኢ” ዝበሉ ዶክተር ሕሉፍ “ካብ ጣልያን ዝተመለሰት ሓወልቲ ንምትካል ኣብ ዝተገበረ ስራሓት እቲ ኩነታት ምዝንባል ናብ 0.23 ዲግሪ ክብ ከምዝበሎ” ገሊጾም። ዋና ዳይሬክተር በዓል ስልጣን መፅናዕቲን ሓለዋን ሓድግታት ኢትዮጵያ ኣይተ ዮናስ ደስታ ብወገኖም “ሳልሰይቲ ዝነውሐት ሓወልቲ ኣክሱም ዘጋጠማ ፀገም ንምፍታሕ ንብዝሕ ዓመታት መፅናዕቲ ተኻይዱ እዩ” ኢሎም። “ስራሓት ፅገና እታ ሓወልቲ ንምስላጥ ካብ መሰረቱ ምዕያይ ታሪክ የጥፍኦ እዩ ዝብል ኣረኣእያ በሓደ ወገን ብካልእ ወገን ድማ ኣብ መሰረቱ እዩ ፀገም ይፍጠር ዘሎ እሞ ፅገና ክካየደሉ ይግባእ ዝብሉ ሓሳባት ተላዒሎም ምስ ህዝብን ሰብሞያን ዘተ ብምክያድ ርእይቶታት ተቐቢልና ኢና” ኢሎም። እቲ ስራሓት ፅገና ንምጅማር ኣብ ሓቡራት ሃገራት ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህልን (ዩኔስኮ) ነቲ ዝተኻየደ መፅናዕቲ ግብረ መልሲ ክህበሉ ኣድላዪ ስለዝነበረ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ እቲ መፅናዕቲ ተዛዚሙ፣ ቅድሚ 10 መዓልታት ምላሽ ረኺብና አለና’ ኢሎም። እዚ ከም’ዚ’ሉ ከሎ፣ ኣብ ጥንታዊ መካነ መቃብርን ኣርኪዮሎጂካዊ ኳዕቲ ዝካየደሎም ቦታታት ውሕጅ ይኣትዎም ስለዘሎ ንሓደጋ ተቓሊዕም ከምዘለዉን ንምክልኻል’ቶም ሓድግታት ይስራሕ ኣሎ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%8A%AD%E1%88%B1%E1%88%9D-%E1%89%85%E1%88%8D%E1%8C%A0%E1%8D%8D-%E1%8D%85%E1%8C%88%E1%8A%93-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%8B%AD%E1%88%AD%E1%88%89-%E1%8A%AD%E1%8B%88%E1%8B%B5%E1%89%95-%E1%8B%AD%E1%8A%BD%E1%8A%A5%E1%88%8D-%E1%8A%A5%E1%8B%A9-%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%82%E1%88%89\/4773411.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መንጎ ዞባታት ሲዳማን ጊጂን ዝተሃንጸ መስኖ ጊዳቦ መሪቖም","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መንጎ ዞባታት ሲዳማን ጉጂን ዝተሃንፀን ንዓሰርተታት ኣሽሓት ሄክታር ዘልምዕን ፕሮጀክት መስኖ ጊዳቦ ትማሊ ሰንበት መሪቖም። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ናይ መስኖ ፕሮጀክት መሪቖም ምስ ከፈቱ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እቲ ፕሮጀክት ዓብይን ንኡስን ዝኾነ ናይ ጉጂ ኦሮሞን ናይ ሲዳማ ህዝብን ዘቀራርብ እዩ ኢሎም። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ወሲኾም መንግስቲ ምትእስሳር ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘሓይሉ ተመሳሰልቲ ፕሮጀክታት ናይ ምስራሕ ድልየት ከምዘለዎ እውን ገሊፆም ። “ፈደራላዊ መንግስቲ ንመጻኢ’ውን ንህዝቢ ኣምሓራን ትግራይን ዘተኣሳሰር፣ንህዝቢ ኣምሓራን ኦሮሞን ዘተአሳስር፣ናይ ኦሮሞን ደቡብ ህዝብታትን ዘተአሳስር፣ንኦሮሚያን ቤንሻንጉልን ዘአተሳስር፣ናይ ሓባር ፕሮጀክትታት እናሓንጸጸ ህዝብታት ብሓባር ንክሰርሑ፣ብሓባር ከልምዑን ክለምዑን ትፅቢት ዝግበረሉ ስራሕ ብፍሉይ ጠመተ ከምዝሰርሕ በዚ ኣጋጣሚ ክገልፀልኩም እደልይ።” ኣብታ ሃገር ይህንጹ ዘለው ፕሮጀክትታት መስኖ ብኢትዮጵያዊያን ሰበሞያ ይህነፁ ዘለው ስለዝኾኑ ኣብ ዓድና ዘሎ ሃብቲ ማይን መሬትን ጥራሕ ዘይኮነስ ነዚኦም ክጠቕም ዝኽእል ፍልጠት ምፍጣሩ ዓብዪ ፀጋ እዩ ኢሎም። ንሶም ቀጺሎም ህዝቢ ኢትዮጵያ ምስሕሓብን ጭቕጭቕን ሰልቺዩዎ ስለዘሎ ሕጂ ዝደልዮ ዘሎ ብሰላም ሰሪሑ ምእታው እዩ ኢሎም።ኢትዮጵያ ናይ ስርናይ ለማኒት ዝኾነት ዘለዋ ማይን ልሙዕ መሬትን ክጥቀም ዝኽእል መንግስትን ኣተሓሳስባን ስለዝጠፍአ እዩ ኢሎም ። ምስ ምምራቕ እቲ ዲጋ ጎኒ ንጎኒ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድን ኣቶ ለማ መገርሳን ምስ ጉጂ ኣባገዳታትን ምስ ነበርቲ እቲ ዞባን ኣብ ዙሪያ ሰላም መኺሮም ኣለው። ናይ ኦሮሚያ ክልላዊ መንግስቲ ፕረዚዳንት ኣቶ ለማ መገርሳ ናይቲ ግድብ ረብሓ ዓብዩ እዩ ኢሎም ኣለው።ብኣሽሓት ንዝቑፀሩ ስራሕ ኣልቦ መናእሰይ ኦሮሞን ሲዳማን እውን ናይ ስራሕ ዕድል ዝፈጥር እዩ ኢሎም። ናይ ደቡብ ክልል ፕረዚዳንት ኣቶ ሚሊዮን ማቲትዮስ ብወገኖም እቲ ፕሮጀክት ኣብ ሲዳማ ካብ ዘልምዖ ኣርባዕተ ሽሕ ሄክታር እቲ ሰለስተ ሽሕ ሄክታር ንመናእሰይ ክኸውን እዩ ኢሎም። እቶም ፕሬዝዳንት ወሲኾም ናይ ጊዳቦ ፕሮጀክት ኣብ ህዝብታት ጉጂ ኦሮሞን ሲዳማን ማሕበራውን ቁጠባዊ ምትእስሳር ዘሓይል እዩ ኢሎም ። ሚንስትር ማይ፣መስኖን ኢንተርጅን ዶ\/ር ስለሺ በቀለ እቲ ግድብ ኣብ 2002 ዓ.ም ዝተጀመረ፣1.2 ቢሊዮን ብር ዝወድአን 13,405 ሄክታር መሬት ከልምዕን ዝኽእል ዓብይ ፕሮጀክት ኮይኑ ን10 ሽሕ ገባራትን 192 ሽሕ መናእሰይን ተጠቀምቲ ዝገበር እዩ ኢሎም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8E-%E1%8B%9E%E1%89%A3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%B2%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8A%95-%E1%8C%8A%E1%8C%82%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%93%E1%8A%95%E1%8C%B8-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%8C%8E-%E1%8C%8A%E1%8B%B3%E1%89%A6-%E1%88%98%E1%88%AA%E1%89%96%E1%88%9D\/4772254.html"} {"headline":"ም\/ፈ\/ስራሕ ጥረት ኮርፖሬት ዝርከብዎም ብብልሽውና ዝተኸሱ ኣርባዕተ ሰባት ቤት ፍርዲ ቀሪቦም","content":"ምኽትል ፈፃሚ ስራሕ ጥረት ኮርፖሬት ኩባንያን ዋና ኣካያዲ ስራሕ ስራሓት ንግዲ ኣምባሰልን ኣቶ ምትኩ በየነ ምስ ኣርባዕተ ጥርጡራት ሎሚ ባህርዳር ኣብዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ጸብጻብ እቲ ጉዳይ ቅድም ክብል ብገበን ብልሽውና ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምስ ዝርከቡ ኣቶ በረኸት ስምኦን ዝተኣሳሰረ እዩ ይብል። ኣቶ ምትኩ በየነ ምኽትል ፈፃሚ ስራሕ ጥረት ኮርፖሬትን ዋና ኣካያዲ ስራሓት ንግዲ ኣምባሳልን ኣብ ዝነበርሉ እዋን ናይ ህዝቢ ገንዘብ ክባኽን ገይሮም’ዮም ዝብል ክሲ ካብ ዓቃቢ ሕጊ ከምዝቐረበሎም ተገሊጹ’ሎ።ሓደ ካብ ዝተጠርጠርሉ ገበን “ብየዳ ሳስተይናብል ኣክስዮን ማሕበር’’ ካብ ዝተባህለ ኣክሲዮን ማሕበርን ካብ ናይ ካልኦት ሰብሃብቲ ኣክስዮን ማሕበርን ኣብ 2005 ዓ.ም ብ1.4 ሚሊዮን ብር ካብ ጥረት ወፃኢ ኮይኑ ብዘይኣግባብ ክኽፈል ገይሮም ይብል። ጥረት ብሽርክና ዝመሰረቶም ኩባንያታት ልቓሕ ንምሃብ ዘፍቅድ ኣሰራርሓ ኣብ ዘይብሉ ‘’ንባህር ዳር ሞተርስን ብየዳን ሳስተይናብል ኣክሲዮን ማሕበር’’ በዓል ኣቶ በረኸት ስምኦን ምስ ዝመርሑዎ ካልኦት ኣባላት ኣመራርሓ ጥረት ብምዃን ልዕሊ ኣርባዕተ ሚሊዮን ብር ክውሃብ ገይሮም ይብል። ኣቶ ምትኩ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ እቲ ተፈፂሙ ዝብሃል ገበን ሕጊ ፀረ ብልሽውና ኣብ 2007 ዓ.ም ቅድሚ ምውፅኡ ስለዝኾነ እቲ ኮሚሽን ክሪኦ ስልጣን የብሉን ክብሉ ተኸራኺሮም። እቲ ቤት ፍርዲ ንናይ ኣቶ ምትኩ ሙግት ውዱቕ ብምግባር ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክፀንሑን ተወሳኺ ናይ 14 መዓልታት ናይ ምርመራ ግዜ ብምሃብ ን11 ለካቲት 2011 ዓ.ም ክቐርቡ ወሲኑ። ካብቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝውዓሉ ካልኦት ክልተ ተጠርጠርቲ እውን ካብ ጥረት ኮርፖሬት ልቓሕ ምውሳድን ካብ ዋጋ እቲ ንብረት ንላዕሊ ንጥረት ኮርፖሬት ምሻጥን ዝብሉ ብዓቃቢ ሕጊ ተኸሲሶም ኣለው።ቤት ፍርዲ እቶም ተጠርጠቲ ብዋሕስ ንክፍትሑ ንዘቕረቡዎ ሕቶ’ውን ውዱቕ ጌሩ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D-%E1%8D%88-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8C%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%AE%E1%88%AD%E1%8D%96%E1%88%AC%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%88%BD%E1%8B%8D%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%88%B1-%E1%8A%A3%E1%88%AD%E1%89%A3%E1%8B%95%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%89%80%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/4772189.html"} {"headline":"ቂሐ-ጽልሚ -ምስ ስነ ጥበባዊ ተስፉ ኪሮስ(ግራይ)","content":"ስነ ጥበባዊ ተስፉ ኪሮስ(ግራይ) መራሒ መድረኽ ፡ ገጣማይን ተዋሳኣይን`ዩ።\\n\\nብርክት ዝበሉ ኣብ ልቢ ኣፍቀርቲ ሙዚቃን ኣስተማቐርቲ ደርፍን ፍሉይ ቦታ ዘለዎም ብናቱ ግጥምታት ዝተሰርሑ ደርፍታት ንብዙሓት ድምጻውያን ሂቡሎ- ‘ፎርሳ’ ትብል ናይ ወዲ-ሃለቃ፡ ‘ኮራለይ’ ትብል ናይ ቃለኣብ ከምኡ ድማ ‘ኣውቲስታይ’ ናይ ኤደን ተኸስተ።\\n\\nእተን ደርፍታትውን ነቶም ድምጻውያን ስምን ዝናን ንኽረኽቡ ዓቢ ተራ ዝተጻወተ ስነጥበባዊ ‘ዩ ተስፉ ኪሮስ (ግራይ)። ኣብ ኣስመራ ምስኡ ዝተኻየደ ዕላል ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%82%E1%88%90-%E1%8C%BD%E1%88%8D%E1%88%9A--%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%8C%A5%E1%89%A0%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%89%B0%E1%88%B5%E1%8D%89-%E1%8A%AA%E1%88%AE%E1%88%B5(%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD)\/4769075.html"} {"headline":"ኣብ ምክልኻል ዶብ ሰገር ገበናት ምስግጋር ፍልሰተኛታትን ዘተኮረ ዓውደ ዘተ ኣብ ኣስመራ ተኻይዱ","content":"ኣብ ምክልኻል ዶብ ሰገር ገበናት ምስግጋር ፍልሰተኛታትን ሃገራትምብራቕ ኣፍሪቃ ዘተኮረ ዓውደ ዘተ ኣብ ኣስመራ ተኻይዱ። ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ሓሽሽን ገበናትን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ምስ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ። ኢጋድን ኣህጉራዊ ፖሊስ(ኢንተርፖልን) ብምትሕብባር ዝወደቦን ኣብ ኣስመራ ፓላስ ሆቴል ዝተኻየደ “ንጥምረትን ውህደትን ኣህጉራውን ዞባውን ሓይልታት ፖሊስ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ምሕያል ዘተኮረ ዓውደ ዘተ ሎሚ 1 ጥሪ 2019 ተዛዚሙ። ኣብዚ ካብ ኤርትራ፡ኢትዮጵያ፡ሶማል፡ኬንያን ኡጋንዳን ዝመጽኡ ኣብ ሕግን ገበናትን ዝነጥፉ ወከልቲ፡ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ሓሽሽን ገበናትን ሕቡራት ሃገራት ሚስተር ዩሃን ክሪጀር፡ሓላፊ ስግረዶባዊ ገበናት ኢጋድ ኣቶ ጥዑማይ ኣራጋዊ፡ኣምባሳደራት ጀርመንን እንግሊዝን ተረኺቦም ነይሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%8B%B6%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8C%8D%E1%8C%8B%E1%88%AD-%E1%8D%8D%E1%88%8D%E1%88%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%89%B0%E1%8A%AE%E1%88%A8-%E1%8B%93%E1%8B%8D%E1%8B%B0-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/4768994.html"} {"headline":"ካብ ጂግጂጋ ናብ ሃረርን አዲስ አበባን ዝወስድ መንገዲ ምዕጻው ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ጂግጂጋ ናብ ሃረርን ኣዲስ ኣበባን ዝወስድ መንገዲ ኣብ ባሌ ተዓፂዩ።ነቲ መንገዲ ዝተዓፀው ብሰንኪ ግጭት ክልላት ኦሮሞን ሶማሌን ዝተበዛበሉ ተወላዶ ኦሮሞ መንግስቲ ትኹረት ክህቦም ንምሕታት እዩ ተባሂሉ’ሎ።ምምሕዳር ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ምስ ሰራዊት እዚ ምብራቕ ብምትሕብባር ነቲ ኩነታት ንምፍታሕ ፃዕሪ የካይድ ኣለኹ ኢሉ’ሎ። ምምሕዳር ኣቶ ለማ መገርሳ ንኦሮሞ ተመዛበልቲ ዕሽሽ ኢሎምዎም ብዝብልን ናብ ናይ ቀደም መነባብሮና ክንምለስ ኢና ዝብል ሕቶን ከምዘለዎም ሓላፊ ፖሊስ ምብራቕ ሃረርጌ ኮማንደር ኣወል ሱልጣን ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።ነቲ መንገዲ ምስ ዝዓፀው ተመዛበልቲ ንላዘብ ኣለና እውን ኢሎም። ኣብ ምብራቕ ኢትዮጵያ መንገድታት ብተደጋጋሚ ብምዕፃው ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፀቕጢ ንምፍጣር ፈተና ክኻየድ ፀኒሑ’ሎ።ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ክልል ዓፋር፣ኣብ ሶማሌ፣ሕጂ ድማ ኣብ ክልል ኦሮሚያ መንገድታት ተዓፂዮም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8C%82%E1%8C%8D%E1%8C%82%E1%8C%8B-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%88%A8%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%88%B5%E1%8B%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%8C%BB%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4768903.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ ቴፒ ዳግም ብዝተቀስቀሰ ጎንጺ 10 ሰባት ሞይቶም ክብሉ ነበርቲ ገሊጾም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ህዝብታትን ብሄረሰባትን ኣብ ከተማ ቴፒ ዳግም ብዝተቀስቀሰ ጎንጺ 10 ሰባት ሞይቶም ክብሉ ነበርቲ ገሊጾም። ሓለፍቲ ምምሕዳር’ቲ ከተማ ሰባት ምሟቶም ገሊጾም ኣለው። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ወረዳታት በሎጃገንፎይን ሰጌን ዝተመዛበሉ ኣብ ነቀምቴ ዝርከቡ ሰባት መንግስቲ ነባሪ ፍታሕ ይወሃበና ክብሉ ሓቲቶም። ምምሕዳር’ቲ ዞባ ኸአ ነናብ መንበሪኦም ክምለሱ ይስራሕ ኣሎ ኢሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%89%B4%E1%8D%92-%E1%8B%B3%E1%8C%8D%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%80%E1%88%B5%E1%89%80%E1%88%B0-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8C%BA-10-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/4767437.html"} {"headline":"“መጻኢ ሃገራዊ ምርጫ ዴሞክራሲያዊ ጉዕዞ ኢትዮጵያ ዝፍተነሉ እዩ”ኣምባ. ሕ\/ኣውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ","content":"ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ለውጢ ምዝራብ ማለት ለውጢ ምርግጋፅ ማለት ኣይኮነን ኢሎም።ሕብረት ኣውሮጳ ርክባት ክፈጥር ከሎ መሰረቱ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት እዮም ዝበሉ ኣምባሳደር ዮሃን ቦርግስታም ዝቕፅል ሃገራዊ ምርጫ ዴሞክራሲያዊ ጉዕዞ ኢትዮጵያ ዝፍተነሉ እዩ ኢሎም። ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ ዮሃን ቦርጉስታም ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ይርኣዩ ብዘለው ኣወንታዊ ለውጥታት ኣድናቖቶም ገሊጾም። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መፁ ኣሽሓት ፖለቲካዊ እሱራት ምፍትሖምን ኣብ ስደት ዝነበሩ ፖለቲካዊ ውድባት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ክንቀሳቐሱ ምኽኣሎምን ብምዝኽኻር ንዝተጀመረ ለውጢ ንኢዶም። እቲ ለውጢ ናብዘይቕየረሉ ደረጃ ክበፅሕ ንምርግጋፅ ናይ ነዊሕ እዋን ሸቶ እዩ ኢሎም። “ኣብዚ ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ኣውሮጳ ብዛዕባ ለውጢ ምዝራብን ለውጢ ምጅማርን ነቲ ለውጢ ክቕፅል ምግባር ማለት ኣይኮነን።ክልወጥ እየ ምባል ንርእሱ ለውጢ ኣይኮነን።ንዓሰርተታት ኣሽሓት ፖለቲካዊ እሱራት ምፍታሕ በይኑ ለውጢ ኣይኮነን።ሰባት ንመጻኢ ኣብ ኢትዮጵያ ብፖለቲካዊ ምኽንያት ከይእሰሩ ምርግጋፅ እዩ እቲ ሓቃዊ ለውጢ።” እቶም ኣምባሳደር ንንመጻኢ ዝተርፍ ነገር ዶ\/ር ኣብይ ዛጊት ዝወሰዱዎም ኣገደስቲ ስጉምታት መሓውራዊ መልክዕ ክሕዙ ምግባር እዩ ኢሎም ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ንምምሕያሽ ኣብ ዝግበሩ ፃዕርታት እቲ ሕብረት ከም በዓል ዋና ወሳኒ ተራ ክፃወት ኣይክእልን እዩ ኢሎም።ለውጢ ብህዝቢ ኢትዮጵያ ጥራሕ ከምዝመፅእ ብምሕባር ኣብ ምሕጋዝ ግን ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት መሰረት ኩሎም ርክባት ሕብረት ኣውሮጳ እዩ ኢሎም። “ንዓና ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት መሰረታዊ ነገር እዩ።ናይ ሕብረት ኣውሮጳ መሰረት እውን እዩ።ስለዝኾነ ጉዳይ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ምትሕብባራትና መጀመሪያ’ ዩ።ከም ሕብረት ኣውሮጳ ንዓለም እንርአሉ መነፅርን ምስ ዓለም እንራኸበሉን ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት እዩ።” ድሕሪ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ትፅቢት ዝግበረሉ ሃገራዊ ምርጫ ሕብረት ኣውሮጳ ብዝለዓለ ትኹረት ከምዝሪኦን ኣምባሳደር ዮሃን ቦርግስታም ኣስሚሮምሉ።ዝቕፅል ምርጫ ብዘየማትእ ነፃ፣ፍትሓዊን ዓለምለኸ መዐቀኒታት ምርጫ ከማልእ ሕብረት ኣውሮጳ ተራኡ ክፃወት እዩ ኢሎም። “ሕብረት ኣውሮጳ ድሓን ዝኾነ ገንዘብ ዘፍሰሰሉ ጉዳይ እዩ።ኣስታት 50 ሚሊዮን ዩሮ ንዝቕፅል ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ መዲቡ’ሎ።ምስ ናይ ቀረባ መሻርኽትና ጥራሕ ከይኮነስ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ምስ ቦርድ ሃገራዊ ምርጫ ብቐረባ ተዋዲድና ንሰርሐሉ ዓውዲ እዩ።” እቲ ዝቕፅል ምርጫ ንናይ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲ ፈተና ከምዝኸውን ብምግላፅ ቀዳማይ ሚንስትር ብዛዕባ ምርጫ ብተደጋጋሚ ብዝተዛረቡዎን ብዘርኣይዎ ድልውነትን ከምዝተተባብዑን እውን ገሊፆም። ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ቅድሚ ክልተን ሰለስተን ዓመታት ምስ ዝነበረ ከምዝፍለ ዝገለፁ ኣምባሳደር ዮሃን ቦርግስታም ገሊኦም ወገናት ንዓመታት ዝደልዩዎን ዝተኸልከሉዎን መሰል ከይሓሰቡሉ ኣብ ኢዶም ብምእታው ኣብ ታሕጓስ ዝርከቡ ይመስለኒ እዚ ድማ ካብቲ ዘለናዮ ናበይን ከመይን ኢና ንኸይድ ዝብል ሕቶ ስለዘልዕል ዝዓበየ ነገር ዝመፁ ለውጥታት ንድሕሪት ዘይምለሱ ምዃኖም ምርጋግፅን መሓውራዊ ክኾኑ ምግባርን እዩ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8B%B4%E1%88%9E%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%88%B2%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%8C%89%E1%8B%95%E1%8B%9E-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%8D%8D%E1%89%B0%E1%8A%90%E1%88%89-%E1%8A%A5%E1%8B%A9-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3-%E1%88%95-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%88%AE%E1%8C%B3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/4767322.html"} {"headline":"ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘዳውባ ዶብ ከምትኸፍቶ ኣፍሊጣ","content":"ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት ተዓጽዩ ዝጸንሓ ዶብ ኤርትራ ከምዝኽፈት ሎሚ ሓሙስ ኣፍሊጦም። ሱዳን ነቲ ዶብ ምዝውዋር ኣጽዋርን ሰባትን ደው ንምባል ብዝብል ኣብ ከሰላን ሰሜናዊ ኩርዱፋን ናይ ህጹጽ እዋን አዋጅ ኣብ ጥሪ 2018 ድሕሪ ምእዋጃ ምዕጻዋ ይፍለጥ። “ሎሚ ካብ ከተማ ከሰላ ኮይነ ምስ ኤርትራ ዘሎ ዶብና ንኸፍቶ ከምዘለና ከበስረኩም እፈቱ። ምክንያቱ ኣሓትናን ኣሕዋትና እዮም ፖለቲካ ድማ ኣይክከፋፍለናን’ዩ” ክብሉ ፕረዚደንት ኣል በሽር ኣብቲ ቦታ ንዝተረኽቡ ደገፍቶም ተዛሪቦም። ፕረዚደንት ኣልበሽር ካብ ከሰላ ነዚ ኣብ ዘበሰረሉ ጊዜ ማሕበር ሰብሞያ ሱዳን ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት’ታ ሃገር ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ክካየድ ጸዊዑ’ሎ። ኣብ ታሕሳስ 19 ኣብታ ሃገር ንዘጋጠመ ናህሪ ዋጋታትን ሕጽረት ቀረብን ብምቅዋም ዝጀመረ ሰልፊ ፕረዚደንት ኣል በሽር ካብ መዝነቶም ክወርዱ ብምጥላብ ይቕጽል’ሎ። ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ቁጽሪ ኣብ እዋን ተቓውሞ ዝሞቱ 45 ምዃኑ ክገልጹ ከለው መንግስቲ ግን ቁጽሪ ዝሞቱ 30’ ዩ ይብል። ፕረዚደንት ኣል በሽር ካብ ከተማ ከሰላ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “መንግስቲ ወይ ፕረዚደንት ብዋትስኣፕ ወይ ፌስቡክ ዘይኮነ ብድምጺ ምርጫ’ዩ ዝቕየር” ድሕሪ ምባል “እዚ ኣብ ቕድሚ ህዝቢ ሱዳን ዝኣተናዩ ቃልና መብጽዓናን’ዩ እቲ ውሳነ ድማ መሰል ህዝቢ ሱዳን’ዩ” ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%98%E1%8B%B3%E1%8B%8D%E1%89%A3-%E1%8B%B6%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8A%B8%E1%8D%8D%E1%89%B6-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BB\/4766978.html"} {"headline":"ኣብ መንጎ ኦነግን ኦደፓን ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ዕርቂ ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ኮሚቴ ቴክኒክ'ቲ ዕርቂ ገሊጹ","content":"ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ኦሮሞን ግንባር ነጻነት ኦሮሞን ዘቆምዎ ኮሚቴ ዕርቂን ቴክኒክን አባገዳታትን ዓበይቲ ዓዲን እቲ ከይዲ ዕርቂ ተስፋ ዝህብ እዩ ምስ ዝምልከቶም አካላት ውን ልዝብ ተጌሩ’ሎ ክብል እቲ ኮሚቴ ገሊጹ። ድሕሪ’ቲ ስምምዕ’ውን ጎንጽታት ሞትን ይረአ ከምዘሎ አፍልጦ ዝሃቡ ወከልቲ’ቲ ኮሚቴ አቶ በቀለ ገርባን አቶ ጀውሃር መሓመድን ንምፍትሑ ምስ ዝምልከቶም አካላት ንዘራረብ አለና ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8E-%E1%8A%A6%E1%8A%90%E1%8C%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A6%E1%8B%B0%E1%8D%93%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%8B%95%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%89%B0%E1%88%B5%E1%8D%8B-%E1%8B%9D%E1%88%85%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%91-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B4-%E1%89%B4%E1%8A%AD%E1%8A%92%E1%8A%AD-%E1%89%B2-%E1%8B%95%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4765746.html"} {"headline":"ኣብ ጂግጂጋ ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ክልተ ሰባት ምሟቶም ነበርቲ ገሊጾም","content":"ትማሊ ኣብ ከባቢ ከተማ ጭናክሰን ቤተክርስትያን ኣንጊሶም ናብ ጂግጂጋ ይምለሱ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ምእመናን መጥቓዕቲ ብምፍጻሙ ብዝተላዕለ ህወክት ክልተ ሰባት ምቕታሎም ነበርቲ’ቲ ከባቢ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም። እቲ ክልል’ውን ነዚ አረጋጊጹ’ዩ ነዚ ተሓተቲ ዝኾኑ ናብ ሕጊ ከምዝቐርቡን ብምግላጽ ኩነታት’ታ ከተማ ናብ ንቡር ምምላሱ ሓቢሩ'ሎ። ብካልእ ዜና ኣብ ክልተ ዞባታት ጉጂ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝተፈጥረ ጸገም ጸጥታ ህይወት ሰብ ምጥፍኡን ሓያለ ሰባት ምዝንባሎም ነበርቲ ገሊጾም ምምሕዳር’ቲ ወረዳ’ውን እቲ ጸገም ምፍጣሩ ገሊጹ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%82%E1%8C%8D%E1%8C%82%E1%8C%8B-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%98-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/4765710.html"} {"headline":"`ጉዳይና ካብ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ንሰምዖ ካብ ኢትዮጵያ ምስማዕና ምድግጋሙ ኣይተበረሃናን` ዝብሉ ኤርትራውያን ይበራኸቱ`ለዉ","content":"ኣብ ኤርትራ፡ ብመንጽር ምስ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ሰላም- ናይ ለውጢ ኣንፈት ኣሎ`ዶ ንዝብል ድሕሪ ውዕል-ሰላምን ንቡር ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ እንታይ ይግበር ኣሎ ዝብል እኹል ሓበረታ ንረክብ የለናን፡ ብዝብል፡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያንን ብፍላይ ግን ኤርትራውያን ምሕታቶም ኣሐይሎም ኣለዉ። ካልኦት ድማ፡ ካብ`ቲ ኣብ ኣስመራን ሪያድን ዝተፈረመ በዓል ሓሙሽተን ለሸውዓተን ነጥብታት ዝነጥር ሓበሬታ ክህሉ ኣይክእል`ዩ ይብሉ። በቲ ሓደ ኸኣ፡ ጉዳይና ካብ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ክንሰምዖ፡ ብፍላይ`ውን ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክንዲ ኤርትራ ኮይኑ ይዛረብ እንተሃልዩ ታክቲካዊ ኣካይዳ ኣይኮነን፡ ብስለት ፖለቲካ ዝጎድሎ ኣካይዳ`ዩ ይብሉ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ካልኣይ ክፋል፡ ኤርትራ ኣብ ንቡር ኩነታት ኣይጸንሐትን ዝብሃል እንተኾይኑ፡ ሎሚ እንታይ ዘይንቡር ኩነታት ስለ-ዘስግኣ`ያ ብዛዕባ ዘቤታዊ ምሕደራኣ ክትገብር ዘይከኣለት ዝብል ሕቶ ተላዒሉ`ሎ። ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ካብ ዝፍረምን ናብ ንቡር ምሕዝነት ካብ ዝምለስን ልዕሊ ሽዱሽተ ወርሒ ሓሊፉ እናሃለወ፡ ስለምንታይ ገለ ናይ ለውጢ ተስፋ ዘይስማዕ ዝብል ሕቶ`ውን ስዒቡ`ሎ። ኣብ ዙርያ`ዚ ዛዕባ ክልተ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ኤርትራውያን ዓዲምና`ለና ካልኣይ ክፋል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD%E1%8A%93-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%8A%95%E1%8B%B2-%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%88%9D%E1%8B%96-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%9B%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%8C%8D%E1%8C%8B%E1%88%99-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%88%83%E1%8A%93%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%89%A0%E1%88%AB%E1%8A%B8%E1%89%B1-%E1%88%88%E1%8B%89\/4764225.html"} {"headline":"ዕጡቓት ኦነግ ኣብ አማሮ 4 ሰባት ቐቲሎም ክብሉ ነበርቲ ገሊጾም","content":"ዕጡቓት ኦነግ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ወረዳ ኣማሮ ንኣርባዕተ ሰባት ከምዝቐተሉ ነበርቲ ገሊፆም። እቶም ዝሞቱ ሰባት ካብ ዞባ ኮንሶ ወረዳ ቡርጂ ናብ ወረዳ ኣማሮ ኬሌ ይጉዓዙ ዝነበሩ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ናይ ደቡብ ክልል ፕረዚዳንት ኣቶ ሚሊዮን ማቲዮስ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኣማሮን ቡርጂን ይወርድ ዘሎ መጥቓዕቲ ካብ ዓቕሚ ናይቲ ክልላዊ መንግስቲ ንላዕሊ እዩ ኢሎም። ብቕድሚ ትማሊ ዝተቐትሉ ክልተ ሰባት ሓዊሱ ዛጊድ 82 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተሓቢሩ’ሎ። ኣቦ መንበር ኦነግ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ኣብቲ ከባቢ ይፍፀም ብዛዕባ ዘሎ መጥቓዕቲ ሓበሬታ የብለይን ክብሉ ትማሊ ገሊፆም ምንባሮም ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%8A%A6%E1%8A%90%E1%8C%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%88%9B%E1%88%AE-4-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%90%E1%89%B2%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/4764069.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ከንቲባ ከተማ ድሬዳዋ","content":"ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ እቲ ሕብረተሰብ ዘለዎ ፀገማት ሰናይ ምሕደራ ብህፁፅ ንምፍታሕ ፍሉይ ውጥን ኣዳልዩ ናብ ስራሕ ክኣትው’ዩ ክብሉ ከንቲባ እታ ከተማ ኢብራሂም ዑስማን ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም። ኣብ ድሬዳዋ ንዝተፈጥረ ፀገም እቲ ኣመራሓ ናይ ባዕሉ ሓላፍነት ከምዘለዎ ኣሚኑ ነቲ ኩነታት ንምምሕያሽ ከምዝተሰማምዐ ገሊፆም፤ሎሚቅነ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝነበረ ተቓውሞ ግደ ነይሩዎም ዝተባህሉ ኣባላት ፀጥታን ኣመራርሓን እውን ስጉምቲ ክውሰዶም እዩ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A8%E1%8A%95%E1%89%B2%E1%89%A3-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8B%B5%E1%88%AC%E1%8B%B3%E1%8B%8B\/4764056.html"} {"headline":"ሸኽ መሓመድ ሑሰን አላሙዲ ተፈቲሖም","content":"ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተአሲሮም ዝጸንሑ ሸኽ መሓመድ ሑሰን አላሙዲ ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ከምዝተፈትሑ ተገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ካብ መንግስቲ ቀጺሉ ካልኣይ ኣስራሒ ዝኾነ ሚድሮክ ኩባንያ ወናኒን ሓደ ካብ ሰብ ሃብቲ ዓለም ዝኾኑ ትውልደ ኢትዮጵያዊ ሸኽ መሓመድ ሑሰን አላሙዲ ካብ 2017 ጀሚሮም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ማእሰርቲ ምጽንሖም ይፍለጥ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B8%E1%8A%BD-%E1%88%98%E1%88%93%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%88%91%E1%88%B0%E1%8A%95-%E1%8A%A0%E1%88%8B%E1%88%99%E1%88%B2-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%89%B2%E1%88%96%E1%88%9D\/4763712.html"} {"headline":"ግብረ መልሲ ክልል ኣምሓራ ንውሳነ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ -ኣብ ጉዳይ ኮሚሽን ምሕደራ ወሰንን መንነትን","content":"ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ኣብ መንጎ ክልላት ዝፍጠር ናይ ወሰንን መንነትን ሕቶታት ብሰላማዊ ኣገባብ ክፈትሕ እናተገብኦ ብክልል ኣምሓራ ብሕጋዊ ኣገባብ ዝቐረበ ሕቶ መንነት የለን ኢልካ ምድምዳም ኣብ መንጎ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ዘየድሊ ምስሕሓብ ይፈጥር ኣሎ ክብሉ ፕረዚዳንታዊ ኣማኻሪ ጉዳያት ሕጊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ መርሃፅድቅ መኮነን ሓቢሮም። ኣቶ መርሃፅድቅ ወሲኾም ዝተጣየሸ ኮሚሽን ወሰንን ምምሕዳርን ሕቶ መንነትን ገለልተኛ ኮይኑ ዘፅንዖ ስልጣን ንዘለዎ ኣካልን ቀዳማይ ሚንስትርን ከቕርብ እዩ ኢሎም ።ናይቲ ውሳነ ሓሳብ ስልጣን ዘለዎ ኣካል እንተድኣ ዘየፈፂሙዎ ጣልቃ ብምእታው ፌደራል መንግስቲ ክፍታሕ እዩ ኢሎም። ሕገ መንግስቲ ኢፌዴሪ ኣብ ዓንቀፅ 62 ንኡስ ቁፅሪ 1 ከምዝጠቐሶ ወሰን ክልላት ብዝምልከት ሕቶ እንተድኣ ተላዒሉ እቲ ጉዳይ ብስምምዕነት ዝምልከቶም ክልላት ይፍፀም ይብል። በዚ መሰረት ነቲ ሕግን ስርዓት ተኸቲልና ሕቶና ንክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ቀፂሉ ድማ ንቤት ምኽሪ ፌደረሽን ኣቕሪብና ኢና ይብሉ ኣቦ ወንበር መምለሲ ኮሚቴ መንነት ወልቃይት ኮሎኔል ደመቀ ዘውዴ። “ዓንቀፅ ጠቒስና፣ሕጊ ኣደጊፍና ፔትሽን ኣማሊእና፣2007ን 2008ን ዓ.ም ጀሚርና ሓቲትና ኢና።” ነቲ ጉዳይ ይከታተሉዎ ከምዝፀንሑ ዝገለፁ ተንታኒ ፖለቲካ ኣቶ ቹቹ ኣለባቸው ነቲ ሕቶ ዘሕይል መረዳእታ ኣብ ኢዶም ከምዝርከብ ኣብ ቀረባ ምስ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ገሊፆም ነይሮም። “ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዘካይዶ መፅናዕቲ ስለዝነበረኒ ምስ ወልቃይት ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ብሰነድ ዝተደገፉ መረዳእታታት ኣብ ኢደይ ኣለው።ንኣብነት ህዝቢ ወልቃይት ሕትኡ ብሕጋዊ ኣገባብ ኣየቕረበን ዝብል ኣብ ኢደይ ዝርከብ ሰነድ ከምዝሕብሮ ግን ናይቲ ህዝቢ ወኪላት ዝፈረሙዎ ጥርዓን ኣሎ።ናብ ትግራይ ወሲዶም ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ኣቕሪቦም እዮም።” ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ናይ ኣምሓራ ብሄርተኝነት ተኸታታሊ ፅሑፋት ዘቕርብ ኣቶ ጌታቸው መኮነንእቲ ኮሚቴ ንቤት ምኽሪ ፌደረሽን ዘቕረቦ ጥርዓን ኣብቲ እዋን ኣፈጉባኤ ንዝነበሩ ኣቶ ያለው ኣባተ ንክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝፀሓፉዎ ኣብ ኢደይ ኣሎ ይብል ። ንሶም እዚ ኮይኑ እናሃለወ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ወ\/ሮ ኬሪያ ኢብራሂም ብክልል ኣምሓራ ሕቶ መንነት ብሕጋዊ ኣገባብ ኣይቀረበን ክብላ ኣብ ቀረባ ምግላፀን ኣቖጢዑና’ሎ ይብሉ።ወ\/ሮ ኬሪያ ከምዚ ኢለን ነይረን። “ካብ ሶማሊያ የለን፤ካብ ዓፋር የለን፤ካብ ትግራይ የለን፤ካብ ክልል ኣምሓራ እውን የለን።” ኣቶ ጌታቸው ግን ወ\/ሮ ኬሪያ እቲ ሓቂ እናፈለጣ ዝቐረበ የለን ምባለን እቲ ጉዳይ ብሕብእብእ ንምሕላፍን ንህዝቢ ኣምሓራ ምንዓቕን እዩ ኢሎም። ኣቶ መርሃፅድቅ መኮነን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ይመሓደሩ ዘለው ናይ ወልቃይት፣ፀገዴ፣ፀለምቲ፣ሰቲት ሑመራን ከምኡ እውን ቀደም ኣብ ትሕቲ ክፍለ ሃገር ወሎ ዝነበሩ ከባቢታት ራያ ናብ ትግራይ ምእታው ጭቕጭቕ ፈጢሩ እዩ፤ኣብቶም ክልላት ግን ፈጢጡ ዝወፀ ምስሕሓብ ኣይነበረን ኢሎም። “ኣብ መንጎ እቶም ክልላት ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ ናብ ምስሕሓብ ኣትዮም ኣይፈልጡን፤ክሳብ ቀረባ ግዜ።ነገር ግን ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ ናብ ክልል ኣምሓራ ንጠቓለል ዝብል ብዘይስሩዕ ሕቶ ካብ ዘቕርብ ፀኒሑ’ሎ።ካብ 2008 ጀሚሩ ግን እቲ ሕቶ ንቤት ምኽሪ ትግራይ ቐሪቡ፣ናይ ትግራይ ቤት ምኽሪ ድማ ብእዋኑ ብዘይምምላሱ ናብ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ምቕራቡ እኹል መረዳእታ’ሎ።ናይ ኣምሓራ ክልል ዘቕረቦ ከይኮነስ ኣብ ትግራይ ናይ ዝተኸለሉ ህዝብታት ወኪላት ኢና ብዝብሉ ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝቐረበ እዩ።” ኣቶ መርሃፅድቅ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ትግራይ ይልዓሉ ዘለው ናይ ወሰንን መንነትን ሕቶታት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ብቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዝተጣየሸ ናይ ምምሕዳር፣ናይ ወሰንን መንነትን ኮሚሽን ተፀዋዕነቱ ንቀዳማይ ሚንስትር እውን ብምዃኑ ጣልቃ ምእታው ናይቶም ቀዳማይ ሚንስትር ነቲ ፀገም ይፈትሖ እዩ ይብሉ። “እዚ ኮሚሽን እዚ ስርሑ ኣብ ቀረባ ክጅምር እዩ ኢልና ትፅቢት ንገብር።ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ኣብታ ሃገር ዘለው ሕቶታት መንነት ኣፅኒዑ፤ምምሕዳራዊ ወሰናት ኣፅኒዑ ብሰብ ሞያ ዝተደገፉ ናይ ውሳነ ሓሳባት ንቀዳማይ ሚንስትር ከቕርብ እዩ።እቲ ቀዳማይ ሚንስትር ዋና ኣኽባሪ ሕግን ሰላምን ናይታ ሃገር ኣኽባሪን ጠቕላሊ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል እዩ።እዞም ሕቶታት መንነት ምኽንያት ግጭት እናኾኑ ኣብ መንጎ ክልላት ምኽንያት ስእነት ሰላምን ምርግጋእን እናኾኑ እንተድኣ መፂኦም እቲ ጉዳይ ናይ ፌደረሽን ቤት ምኽሪ ጉዳይ ምዃኑ ይተርፍ ማለት እዩ።ናይታ ሃገር ፈፃሚ ኣካል ዓብይ ሓላፍነት ኣለዎ ኣብዚ ጉዳይ።” ፕረዚዳንታዊ ኣማኻሪ ጉዳያት ሕጊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ መርሃፅድቅ መኮነን መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ዘስዓበ ሓደ ናይ ክልል ውሳነ ወይም ስጉምቲ እንተድኣ ሃሊዩ ሕጊ ብዝእዝዞ ፌዴራል ጣልቃ ክኣቱን እቲ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ደው ክሳብ ዝብል ነቲ ክልል ኣጊዱ ተቖፃፂሩ ዘፅንሐሉ ኩነታት ኣሎ እዩ ኢሎም ።ክልላዊ ዝተጣየሽሉ ሕገ መንግስቲ ቅድሚ ምፅዳቑ ብምዃኑ እቲ ሕቶ ንምምላስ ኣፀጋሚ ከምዝገበሮ ወሲኾም ሓቢሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8A%95%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B0%E1%88%AB-%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95\/4762387.html"} {"headline":"ቤት-ምኽሪ ክልል ትግራይ፡ ብፓርላማ ኢትዮጵያ ንዝቖመ ኮሚሽን ምሕደራ ወሰንን መንነትን ይቃወም","content":"ኣብ መቐለ ተኣኪቡ ዝቐነየ ቤት-ምኽሪ ኽልል ትግራይ፡ ነቲ ብፓርላማ ኢትዮጵያ ዝጸደቐ ምቛም ኮሚሽን ምሕደራ ወሰንን መንነትን ተቓዊምዎ። እቲ ቤት ምኽሪ ትማሊ ሰንበት ኣብ መዛዘሚ ጉባኤኡ ኣብ ዘሕለፎ ወሳነ-እቲ ብፓርላማ ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ውሳነ ሕገ-መንግስታዊ ኣይኮነን ብዝብል ብምሉእ ድምጺ ተቓዊምዎ`ሎ። እቲ ቤት ምኽሪ ዝተቃወሞ እቲ ረቂቅ ኣዋጅ ንስርዓት ሕገ መንግስቲ ዝዳፋእ ብምትእትታው ፌደራል መንግስቲ መሰል ምምሕዳር ክልላት ዝፃባእን ንስልጣን ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ዝምንዝዕን’ዩ ኢሉ’ሎ። ብኻልእ ወገን፡ ቤት-ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንጎ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ዘየድሊ ምስሕሓብ ከይፍጠር ይሰርሕ የለን ክብል ሓደ በዓል-ስልጣን ክልል ኣምሓራ ተዛሪቡ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣማኻሪ ሕጊ ፕረዚደንት ክልል ዝኾነ ኣቶ መርሃጽድቅ መኮነን፡ ቤት-ምኽሪ ፈደረሽን ኣብ መንጎ ክልላት ንዝፍጠር ናይ መንነትን ወሰንን ሕቶታት ብሰለማዊ መንገዲ ክፍታሕ እናተገብኦ፡ ብኽልል ኣምሓራ ብሕጋዊ መንገዲ ዝቐረበ ናይ መንነት ሕቶ የለን ኢሉ ምድምዳሙ፡ ኣብ መንጎ ክልላታት ኣምሓራን ትግራይን ዘየድሊ ምስሕሓብ ንኽፍጠር ይገብር ኣሎ ኢሉ። እዚ ኣማኻሪ ሕጊ ምምሕዳር ኽልል ኣምሓራ እቲ ስልጣን ዘለዎ ኣካል ነቲ ውሳነ-ሃሳብ ዘየፈጽም እንተኾይኑ ግን፡ ፈደራል መንግስቲ ኣትዩ መፍትሒ ከምዝርከብ ክገብር`ዩ ኢሉ ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8A%BD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%88%8B%E1%88%9B-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8B%B0%E1%89%90-%E1%88%9D%E1%89%9B%E1%88%9D-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B0%E1%88%AB-%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%89%83%E1%8B%88%E1%88%9D\/4761973.html"} {"headline":"ፕረ. ዑመር ኣልበሸር ኣብ ግብጺ ዑደት የካይዱ","content":"ግብጺ ንመራሒ’ታ ብተቓውሞ ትሕመስ ዘላ ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘተአናገደትሉ ንምርግጋእ’ ታ ሃገር ደገፋ ከምትህብ ገሊጻ። ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሸር ምስ ናይ ግብጺ መዘነኦም ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ተራኺቦም ኣብ ምሕያል ዝምድናን ምድንፋዕ ቁጠባዊ ዝምድናን ድሕሪ ምዝርራቦም ንምትሕብባር ክልቲኣን ሃገራት ዝምልከት ሓባራዊ ናይ ቴሌቭዥን መግለጺ ሂቦም። ፕረዚደንት ኢል ሲሲ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዝጸንሓ ታሪኻዊ ዝምድና ንምቕጻል ዘለዎም ድልየት ዝገለጹ ክኾኑ ከለው ፕረዚደንት ዑመር ብወገኖም እቲ ኣብ ሱዳን ኣንጻሮም ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ከምቲ ዝረአ ከምዘይኾነ ብምግላጽ ንምምሕዳሮም ዘነኣእሱ ናይ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ዘልዓልዎ'ዮም ክብሉ'ውን ከሲሶም። “ገለ ኣሉታዊ ትካላት ንምርግጋእን ጸጥታን’ቲ ዞባ ንምዝራግ ዝሰርሑ ኣለው፤ ጸገም የለን ኣይኮናን ንብል ዘለና እንተኾነ ከምቲ ገለ መሓውራት ዜና ዝገልጽዎ ዓብይ ኣይኮነን ንናይ 2011 ተቓውሞ ሃገራት ዓረብ ኣብ ሱዳን ንምድጋም’ዩ ፈተነኦም” ኢሎም። ኣብ 1989 ብወታሃደራዊ ዕልዋ ናብ መሪሕነት ዝመጹ ኣልበሸር ለውጢ መሪሕነት ዝመጽእ ብምርጫ ጥራይ ምዃኑ'ውን ሓቢሮም። ፕረ. ዑመር ኣልበሽር ኣብ 2010 ብምጽናት ዓሌት ዳርፉር ናብ ዓለምለኸ ቤር ፍርዲ ገበን ዝተኸሰሱ ክኾኑ ከለው ዘካየድዎ ዑደት’ ውን ናብ ገለ ሃገራት ዓረብን ኣፍሪቃን ጥራይ ዝተወሰነ ምዃኑ ይፍለጥ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8B%91%E1%88%98%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%89%A0%E1%88%B8%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%8C%BA-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8B%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/4761900.html"} {"headline":"ጠቅላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት መግለጺ ሂቡ","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ይረአ ካብ ዘሎ ጉዳይ ክሲ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ አቶ በረኸት ስምኦን ብደረጃ ፌደራል ዝምራሕ ክሲ የለን ክብል ጠቅላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። በደረጃ ፈደራል ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ዝወጸሎም ሓላፊ ደሕንነት ነበር ኣቶ ጌታቸው አሰፋ ግን ንምእሳሮም ጻዕሪ ይካየድ ምህላው ተገሊጹ። ዓቃቢ ሕጊ ብተወሳኺ ኣብ ክልል ሶማሌ ዝተፈጸሙ ገበናት ሓቢሩ’ሎ። ብገበን ብልሽውና ተታሒዞም ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ላዕለዎት መራሕቲ ብአዴን ነበር ኣቶ በረኸት ስምኦንን አቶ ታደሰ ካሳ ሎሚ ቤፍርዲ ቀሪቦም ጉዳዮም ኣብ ዝረኣየሉ ጊዜ ኣብ ማእሰርቲ ክጸንሑ ተወሲኑ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%A0%E1%89%85%E1%88%8B%E1%88%8A-%E1%8B%93%E1%89%83%E1%89%A2-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%82%E1%89%A1\/4759358.html"} {"headline":"`ጉዳይና ካብ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ንሰምዖ ካብ ኢትዮጵያ ምስማዕና ምድግጋሙ ኣይተበረሃናን` ዝብሉ ኤርትራውያን ይበራኸቱ`ለዉ","content":" ድሕሪ ውዕል-ሰላምን ንቡር ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ እንታይ ይግበር ኣሎ ዝብል እኹል ሓበሬታ ንረክብ የለናን፡ ብዝብል፡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያንን ብፍላይ ግን ኤርትራውያን ምሕታቶም ኣሐይሎም ኣለዉ። ካልኦት ድማ፡ ካብ`ቲ ኣብ ኣስመራን ሪያድን ዝተፈረመ በዓል ሓሙሽተን ሸውዓተን ነጥብታት ዝነጥር ሓበሬታ ክህሉ ኣይክእል`ዩ ይብሉ። በቲ ሓደ ኸኣ፡ ጉዳይና ካብ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ክንሰምዖ፡ ብፍላይ`ውን ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክንዲ ኤርትራ ኮይኑ ይዛረብ እንተሃልዩ ታክቲካዊ ኣካይዳ ኣይኮነን፡ ብስለት ፖለቲካ ዝጎድሎ ኣካይዳ`ዩ ይብሉ። ኣብ ዙርያ`ዚ ዛዕባ`ዚ ክልተ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ኤርትራውያን ዓዲምና`ለና- ቀዳማይ ክፋል ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD%E1%8A%93-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%8A%95%E1%8B%B2-%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%88%9D%E1%8B%96-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%9B%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%8C%8D%E1%8C%8B%E1%88%99-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%88%83%E1%8A%93%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%89%A0%E1%88%AB%E1%8A%B8%E1%89%B1-%E1%88%88%E1%8B%89\/4759314.html"} {"headline":"ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ሶማሌ ሹዱሽተ ሰበ ስልጣን ካብ መዝነቶም ኣልዒሉ","content":"ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ሶማሌ ንሓደ ኣባል ካብነን ካልኦት ሓሙሽተ ሰበስልጣንን ካብ መዝነቶም ኣልዒሉ።ኣብ መንጎ ዋና ኣማሓዳሪ ክልል ሶማል ሙስጠፋ ዑመርን ኣቦ መንበር ገዛኢ ፓርቲ ናይቲ ክልል ኣቶ ኣሕመድ ሺዴን ዘሎ ኣፈላላይ ተራ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብቕድሚ ትማሊ ዝተሸሙ ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ኣቶ ኣብዱላሂ መሓመድ መውሊድ ሓድሽ ዝተሾሙ ላዕለዋይ መሪሕነት ንሶም ጥራሕ ምዃኖምን ካብ ሓላፍነቶም ዝተልዓሉ ንምትካእ ግን ዋና ኣማሓዳሪ ኣቶ ሙስጠፋ ዑመርን ኣቦ ወንበር ሶህዴፓ ኣቶ ኣሕመድ ሺዴን ክሳብ ዝሰማምዑ ሰብ ኣይተመደበን ኢሎም።ብዛዕባ እቶም ዝተልዓሉ ክዛረቡ ከለው ከምዚ ኢሎም። “ሽዱሽተ ሰባት እዮም ካብ ስልጣኖም ተላዒሎም።ሰለስቲኦም ናይቲ ፕረዚደንት ኣማኸርቲ እዮም። “ ኣማኻሪ ሚዲያ ዋና ኣማሓዳሪ ዝኾኑ ኣቶ ኣብዱላሂ ሁሴን ምስ ኢሳት ከምኡ እውን ኣማኻሪ ሕጊ ርእሰ ኣማሓዳሪ ዝኾኑ ኣቶ ጀማል ድሪየ ምስ ካልእ ዜና ማዕኸን ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብዘካየድዎም ቃለ ምልልሳት ኣቶ ኣሕመድ ሺዴ ንኣቶ ሙስጠፋ ዑመር ካብ ስልጣኖም ንምልዓል እናፈተኑ እዮም ክብሉ ከሲሶም ነይሮም። ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮሚንኬሽን ኣቶ ኣብዱላሂ ግን ኣብ መንጎ ኣቦመንበር እቲ ውድብ ኣቶ ኣሕመድ ሺዴን ዋና ኣማሓዳሪ ኣቶ ሙስጠፋ ዑመርን በዚ ደረጃ ዝግለፅ ዘይምርዳዳእ የለን ይብሉ። “ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ እምበር ካልእ ኣፈላላይ የለን።እቲ ለውጢ በዚ መንገዲ ንውሰዶ፣ኣይኮነን በዚ መንገዲባ ይሕይሽ ዝብል ኣፈላላይ እምበር ኣብ መንጉኦም ካልእ ፍልልይ የለን።” ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ሶማሌ ኣቶ ዓብዲ መሓመድ ዑመር ወይ ዓብዲ ኢሌ ብኣቶ ሙስጠፋ ድሕሪ ምትክኡ ኣብቲ ክልል ዝተርኣየ ገለ ምም ሕ­­­ያሽ ኣብ መንጎ ሚንስትር ምትሕብባር ፋይናንስን ቁጠባን ዝኾኑ ኣቶ ኣሕመድ ሺዴን ዋና ኣማሓዳሪ ክልል ሶማሌ ኣቶ ሙስጠፋ ዑመርን ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ዝተጀመረ ለውጢ ንድሕሪት ከይምልሶ ስግኣት ፈጢሩ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%84%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8C-%E1%88%B9%E1%8B%B1%E1%88%BD%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%8B%92%E1%88%89\/4759057.html"} {"headline":"ዩኒቨርስቲ ዓዲ ግራት ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተጀመረ ሰላም ነባሪ ንምግባር ዝዝትይ ዋዕላ ኣካይዱ","content":"ዩኒቨርስቲ ዓዲ ግራት ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተጀመረ ሰላም ነባሪ ንምግባር ክፍፀሙ ዝግብኡ ስርሓት ዝዝትይ ዋዕላ ትማሊ ኣካይዱ። ኣብቲ ዋዕላ ፖለቲከኛታት፣ ምሁራን ካብ ህዝቢ እውን ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ተሳተፍቲ ኔሮም። ዩኒቨርስቲ ዓዲ ግራት ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉ ዩኒቨርስቲዎች ንኤርትራ ዝቐረበ ኮይኑ ካብ ዶብ 35 ኪሎ ሜትር ሪሒቑ ዝርከብ እዩ። ካብ ዝምስረት ጀሚሩ 87 ኤርትራውያንን ኣምሂሩ ኣመሪቑ ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ካልኦት 54 ኣብቲ ዪኒቨርሲቲ የምህር ከምዘሎ ግዝያዊ ፕረዚዳንት እቲ ዩኒቨርስቲ ዶክተር ገብረመስቀል ገብረፃድቅ ተዛሪቦም። ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተፈጠረ ሰላም ነባሪ ንምግባር ዩኒቨርስቲኦም ይሰርሕ ምህላዉ ገሊፆም። No media source currently available ኣብቲ መድረኽ ፅሑፍ ካብ ዘቕረቡ ብተኸታታሊ ኣብ ርክብ ኢትዮ ኤርትራ ጠሚቱ ትንታነ ዝህቡ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ክፍሊ ትምህርቲ ፖለቲካል ሳይንስን ስትራቴጂካዊ መፅናዕትን ሓጋዚ ፕሮፌሰር ዝኾነ ኣይተ መረሳ ፀሃየ ኣብ ሞንጎ ክልቲኣን ሃገራት ነባሪ ሰላም ክፍጠር ኣብቲ ከይዲ እቲ ሰላም ህዝቢ ናይ ምውሳን ስልጣን ክህልዎ ይግባእ ኢሎም። ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተሳተፉ ኣቦ መንበር ዓረና ትግራይ ንሉኣላዊነትን ዴሞክራሲን ኣብርሃ ደስታ ን20 ዓመታት ዝፀንሐ ስእነት ሰላም ኣብ ሞንጎ መንግስታትን ገዛእቲ ውድባት ብዘይ ምስምዕማዕ ዝተፈጠረ እዩ ብምባል ናይዚ ስእነት ሰላም ተጎዳኢ ድማ ህዝቢ እዩ ኢሎም። ኣብዚ ሐዚ እዋን ተጀሚሩ ዘሎ ከይዲ ሰላም ንምቕፃል መንግስቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተኣተወ ውዕል ንህዝቢ ግልፂ ክኸውን ይግባእ ብምባል ተዛሪቦም። ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ህወሓት ኢህወደግ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብወገኖም \"ኣብ ሞንጎ ክልተኣን ሃገራት ዝተጀመረ ሰላም መንግስታት ድልየት ይሃልዮም ኣይሃልዮም ህዝቢ ቁርፀኛ ኮይኑ ተተሳቲፍሉ ዘላቒ እዩ ክኽውን\" ኢሎም። ኣብቲ መድረኽ ዝረኸብኩዎም ኤርትራዊ ኣይተ ዳዊት ይብራህ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ንንምሕያል ተባሂሉ ዝካየድ መድረኽ ብወገን ኤርትራ እውን ክሰናዳእ ይግባእ ይብሉ። ነባሪት ከተማ ዓዲ ግራት ወይዘሮ ኣኸዛ ግደይ ብወገነን ህዝቢ ይቀራረብ ኣሎ ከም ቀደሙ ድማ መርዓ ደጊሱ ካብ ክልቲኡ ወገን ይመራዓዉ ኣለዉ ኢለን። እንተኾነግና ተኸፊቱ ዝነበረ መስመር ዶብ ክልቲኣን ሃገራት ምዕፃዉ ከይዲ ሰላም ከየተኣጓጉሎ ስግኣት ከምዘለወን ተዛሪበን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/4758839.html"} {"headline":"መቐጸልታ ዕርቂ ኦነግን ኦዴፓን ኣብ ከተማ ኣምቦ ተጸንቢሉ","content":"ኣብ`ቲ መሪሕነት ግንባር ሓርነት ኦሮሞን፡ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ኦሮሞን ዝተረኽብሉ መድረኽ-ዕርቂ፡ ዓበይቲ-ዓዲ ኦሮሞ፡ ምሁራንን መንእሰያትን`ውን ተረኺቦም ኔሮም። ንዕጡቓት ኦነግ ናብ ካምፕ ምእታዉ ንኸረጋግጽን፡ ዕረቅ-ሰላም ምትግባሩ ንምክትታልን ዝቖመ ናይ ቴክኒክ ኮሚቴ`ውን ስርሑ ብወግዒ ምጅማሩ ኣፍሊጡ`ሎ። ፕረዚደንት ኣምቦ ዩኒቨርሲቲ ዶ\/ር ታደሰ ቀኒኣ ኣብ`ቲ እዋን፡ “ጌጋታት ምጽብጻብ ገዲፍና ብኸመይ ብሓባር ክንዕረ ንኽእል ንምምካር ኢና ኣብ`ዚ ተኣኪብና ዘለና” ኢሉ። ጸሓፊ ቴክኒክ ኮሚቴ ኣቶ ጆሃር መሓመድ ብወገኑ ዝርዝር ስምምዓትን ኣተገባብራን ንተሳተፍቲ ኣስሚዑ። “ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ተኹሲ ደው ምባሉ ንእውጅ ኣለና። ሰራዊት ኦነግ ብኽብሪ ክኣቱ`ዩ። ኣቀባብላ ክግበረሉ`ዩ። ናይ ኦነግ ሰራዊት ካምፕ ምስ ኣተወ፡ ኣብ ኦሮሚያ ተዓጢቑ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ ኣፍልጦ የብሉን።” ዕጡቓት ኦነግ ናብ ካምፕ ንምእታው 10 ናይ ምድላው መዓልታት ከም ዘድሊ ዝተገልጸ ክኸውን ከሎ፡ ናብ ካምፕ ድሕሪ ምእታው፡ ተኹሲ ዝኸፍት ኮነ ነቲ ስምምዕ ዝጥሕስ ዝኾነ ይኹን ተቐባልነት የብሉን ኢሉ`ሎ- እቲ ነዚ ከፈጽም ዝቖመ ኮሚቴ። ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ምዕራብ ወለጋ፡ መንግስቲ ኣንጻር ዕጡቓት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ስጉምቲ ወሲዱ፡ ልዕሊ 800 ዕጡቓት ከም ዝሓዘን፡ ኣብ`ቲ ኸባቢ ዝነበረ ስርዓት-ኣልቦነት ከም ዘረጋግኤን ኣፍሊጡ ኔሩ`ዩ። ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%90%E1%8C%B8%E1%88%8D%E1%89%B3-%E1%8B%95%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%8A%A6%E1%8A%90%E1%8C%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A6%E1%8B%B4%E1%8D%93%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A6-%E1%89%B0%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%89%A2%E1%88%89\/4758802.html"} {"headline":"ሓድሽ ሒሳባዊ ቀመር ናይ ምምሃዝ ዓቕሚን ተስፋን ዘለዎ ቆልዓ ተምቤን ዓብዪ ዓዲ","content":" ወዲ 13 ዓመት ገብረሚካኤል ዘማርያም ኣብ’ዚ መዋእል’ዚ ብፍልጠት ቀመር፣ ቁጽሪን ኣውደ ኣዋርሕን መዘና ዘይብሉ’ዩ፣ ምስ ዓበየ ምናልባሽ ማዕረ ኣልበርት ኣይንስታይን ካልኦትን መሃዝትን ተመራማርትን ክኸውን ከምዝኽእል በዓል ሞያ ስነ ኣእምሮ ኣቶ ብርሃነ ስዩም ገሊጹ። ‘ከምዚኦም ዝመምሰሉ ሰባት፣ ሓሓሊፎም ዝፍጠሩን ውሑዳትን’ዮም፣ ሒሳባዊ ቀመር ኣብ ምምጻእ፣ ሶፍትዌር ኮምፕዩተር ኣብ ምምዕባል፣ ኤነርጂ\/ጸዓት ኣብ ምምጻእ መሪሕ ኮይኖም ዝነጥፉ ሰባት’ዮም’ ኢሉ’ውን ይገልጾም ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ትምህርቲ ስነ ኣእምሮ ዝምህር ብርሃነ ስዩም። No media source currently available ወላዲት ገብረሚካኤል ዘማርያ ዝኾነት ወ\/ሮ ዛፉ ሃደራ ክሳብ’ዚ ቀረባ እዋን ኣብ ተምቤን ዓብዪ ዓዲ ምስ ወዳ ገ\/ስላሴ ኮይና ብተግባር ልመና ትናበር ከምዝነበረትን፣ ዝራኣዩዎም ዜጋታት ቅድም ንገብረሚካኤል ቀጺሎም ንወ\/ሮ ዛፉ ካብ’ቲ ተግባር ከምዝገላገልዋ ጋዜጠኛ ዘውዲ በላይነህ ትዛረብ። ገብረሚካኤል ዘማርያም ኣብ’ዚ ዕድመ’ዚ ካብ ዝግመት ንላዕሊ ክእለት ምርባሕን ፍልጠት ኣዝዮም ብዙሓት ቁጽሪታትን ኣውደ ኣዋርሕን ኣለዎ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ወ\/ሮ ዛፉን ክልተ ደቃን፣ ብገበርቲ ጽቡቕ ናብ መቐለ ተሳሒቦም ኣብ ቤ\/ትምህርቲ S.O.S ምስ ምሩጻት ተማሃሮ ይማሃር ኣሎ። ንወ\/ሮ ዛፉን ንወዳ ገብረስላሴ ዘማርያምን ንምሕጋዝ ዝደልዩ ሰማዕቲ ወ\/ሮ ዛፉ ሃደራ ብትውንኖ ካዝና ናይ ባንኪ፣ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ቑጽሪ ሒሳብ 100-013-708-8588 ከእትው ይኽእሉ’ዮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%88%92%E1%88%B3%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%89%80%E1%88%98%E1%88%AD-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%83%E1%8B%9D-%E1%8B%93%E1%89%95%E1%88%9A%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%88%B5%E1%8D%8B%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8E-%E1%89%86%E1%88%8D%E1%8B%93-%E1%89%B0%E1%88%9D%E1%89%A4%E1%8A%95-%E1%8B%93%E1%89%A5%E1%8B%AA-%E1%8B%93%E1%8B%B2\/4759369.html"} {"headline":"መበል 14 ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ተጀሚሩ","content":"መበል 14 ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሎሚ 16 ጥሪ 2011 ዓ\/ም ጀሚሩ። ኣብዚ ስሩዕ ጉባኤ ፀብፃባት ስራሕ ከምዘቕረቡን ከፀድቑ ትፅቢት ዝግበረሎምን ኣዋጃትን ደንብታትን ከምዘለው እውን ተሓቢሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%A0%E1%88%8D-14-%E1%88%B5%E1%88%A9%E1%8B%95-%E1%8C%89%E1%89%A3%E1%8A%A4-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%89%A5%E1%88%84%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9\/4757627.html"} {"headline":"ናይ ኢትዮጵያ ሶሻል ዴሞክራቲክ ፓርቲ ኣብ ዞባ ከፋ ንዘጋጠመ ፍጻመ ዝምልከት መግለጺ ሂቡ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ህዝብታት ዞባ ከፋ ወረዳ ዴቻ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ 37 ሰላማዊያን ዜጋታት ብዕጡቓት ተቐቲሎም፤ልዕሊ 20 ሽሕ ህዝቢ ተመዛቢሉ ክብል ናይ ኢትዮጵያ ሶሻል ዴሞክራቲክ ፓርቲ ኣፍሊጡ። እቲ ፓርቲ ወሲኹ መንግስቲ እውን ነዞም ወገናት ግቡእ ሓለዋ ኣይገበረሎምን ክብል ከሲሱ። ኣመሓደርቲ ዞባ ብዛዕባ እዚ ምላሽ ክህቡ ዝተገብረ ፈተነ ግን ኣይቀንዐን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%B6%E1%88%BB%E1%88%8D-%E1%8B%B4%E1%88%9E%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%89%B2%E1%8A%AD-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%8A%A8%E1%8D%8B-%E1%89%A5%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%9E%E1%89%B1%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%89%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%82%E1%89%A1\/4757585.html"} {"headline":"ሰኔት ዩኒቨርስቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ትምህርቲ ክቛረፅ ወሲኑ","content":"ሰኔት ዩኒቨርስቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ናይ ፍርቂ ዓመት ትምህርቲ ክቛረፅ ምውሳኑ ናብ ስድርኦም ዝተመልሱ ተማሃሮ ቅሬትኦም ገሊፆም። ናይቲ ዩኒቨርስቲ ፕረዚዳንት ዶ\/ር ሌሜ ጉታ ግን ተማሃሮ ዘለዎም ሕቶታት እናቕረቡ ትምህርቶም ክከታተሉ ብተደጋጋሚ እንተተሓተቱ እውን ክሰምዑና ኣይክኣሉን ኢሎም። “ብመሰረት ናይ ሰኔት ሕግና ሓደ ተማሃራይ ክከታተሎ ዝግባእ ናይ ትምህርቲ ግዜ ልዕሊ 80 ሚእታዊት እዩ።ነገር ግን ክሳብ ሕጂ ተማሃሮ 34. 4 ሚእታዊት ግዜ ትምህርቶም ብዘይምክትታሎም ንፈተና ኮፍ ብዘይምባሎም እቲ ሰኔት ናይ ሓደ ሰሚስተር መቕፃዕቲ ወሲኑ’ሎ።” ዶ\/ር ሌሜ ወሲኾም ተማሃሮ ናብ ስድርኦም ምምላሶም ክመኽሩዎም ኣጋጣሚ ክፈጥር እዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎም እውን ገሊፆም። እቲ ዩኒቨርስቲ ኣብቲ ቐፅሪ ብተደጋጋሚ ናይ ምምሃር ምስትምሃር ስነስርዓት ብምትእጉጓሉ ተማሃሮ ንፈተና ዘብቅዖም ግዜ ስለዘየሕለፉ እቲ ሰሚስተር ተዓፂዩ ንቐፃሊ ዳግም ምዝገባ 25ን 26 ለካቲት 2011 ዓ.ም ክዳለው ገሊፁ’ሎ። እቲ ዩኒቨርስቲ ካብ 12 ክሳብ 14 ጥሪ 2011 ዓ.ም ኩሎም ተማሃሮ ነቲ ቀፅሪ ለቒቖም ናብ ስድኦም ክምለሱ ብዘውፅኦ ምልክታ መሰረት ካብቲ ቐፅሪ ዝወፀ ተማሃራይ ሕጂ ምስ ስድርኡ ከምዝርከብ ብቅሬታ ይገልፅ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/4757527.html"} {"headline":"ኤርትራዊ መሃዚ ሻም መስፍን “ምስጥር ዓወት፡ግቡእ ምሕደራ ግዜን ኣብ ትፈትዎን ተድምዓሉን ዓውዲ ምንጣፍን`ዩ” ይብል","content":"ሻም መስፍን ብዓውዲ ምህንድስና ኮምፕዩተር ተመሪቑ ከም ክኢላ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ ኮይኑ ኣብ ምስራሕ ዝረከብ ኣብነታዊ መንእሰይ`ዩ።\\n\\nጎን ጎኒ ስርሑ ኣብ ጥቕሚ ሕብረተሰብ ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ሶፍትዌራትን መተግበሪ ኣፕልኬሽናትን ብምድላው ጸገማት ሕብረተሰብ ንምፍታሕ ከይደቀሰ ዝሓድርን ወትሩ ሓደሽቲ ነገራት ኣብ ምፍጣር ኣብ ጻዕሪ ዝርከብን ዕዉት መንእሰይ`ዩ።\\n\\nቅድሚ ሕጂ ምስ ሓሙሽተ ብጾቱ “`ናትና ኦፕሬቲን ሲስተም` ዝሰመይዋ ብቐሊሉ ብትግርኛን እንግሊዝኛን ንክትጥቀመላ ትሕግዝ ስርዓት ከምኡ`ውን ንመባእታ ተማሃሮ ዘገልግላ ናይ ትግርኛን ቁጽርን መምሃሪ ሶፍት ዌር ምስ ካልኣዩ ሰሪሑ።\\n\\nእተን ስርሓት ኣብ ዝሓለፈ ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራ`ውን ተሸሊመን`የን ።ኣብ`ዚ ሕጂ እዋን ከኣ ንሕሙማት ሽኮርያ፡ንስነ-ጥበባውያን ዝሕግዙ ስርሓትን ዘረባ ናብ ጽሑፍ ትቕይር ሶፍት ዌርን ኣዳልዩ`ሎ።\\n\\nምስ ሻም ዝተገብረ ዕላል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8C%A5%E1%88%AD-%E1%8B%93%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%8C%8D%E1%89%A1%E1%8A%A5-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B0%E1%88%AB-%E1%8C%8D%E1%8B%9C%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8D%88%E1%89%B5%E1%8B%8E%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8B%93%E1%88%89%E1%8A%95-%E1%8B%93%E1%8B%8D%E1%8B%B2-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%8C%A3%E1%8D%8D-%E1%8B%A9-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AD-%E1%88%BB%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%8D%8D%E1%8A%95\/4757095.html"} {"headline":"ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሱዳን ተቓውሞ ምክያዱ ተገሊጹ","content":"ኣብ ዋና ከተማ ሱዳን ካርቱም ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት’ታ ሃገር ተቓውሞ ምክያዱ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ምግላጾም ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። እዚ ናይ ሎሚ ሓሙስ ተቓውሞ ዝዓበየ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ። ሮይተርስ ዘዘራረቦም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣብ ቡሪን ኣልዴምን ዝተባህለ ከባቢታት ካርቱም ሓይልታት ጸጥታ ነቲ ተቓውሞ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምትዃሶም ገሊጾም። ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማታት ኡምዱርማ: ገዳርፍን ፖርት ሱዳንን ሎሚ ሓሙስ ተቓውሞታት ምክያዶም ተፈሊጡ’ሎ። ኣብታ ሃገር ብዘጋጠም ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ብምቅዋም ታሕሳስ 19,2018 ዝጀመረ ተቓውሞታት ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ካብ መዝነቶም ክወርዱ ብምጥላብ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ቐጺሉ’ሎ። ማሕበር ሰብሞያ ሱዳናዊያን ዝተባህለ ተቓዋሚ ጉጅለ ንሎሚ ሓሙስ ሰልፊ ምጽውዑ ይግለጽ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%AB-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%88%9E-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8B%AB%E1%8B%B1-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4757171.html"} {"headline":"መደረ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዓለምለኸ ፎረም ቁጠባ","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ኣብ ስዊዘርላንድ ዳቮስ ኣብ ጉባኤ ዓለምለኸ ፎረም ቁጠባ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ መንግስቶም ኣብ ዝሓለፈ 9 ኣዋርሕ ዝወሰዶም ቅልጡፍ ምምሕያሻት ፖለቲካን ቁጠባን ዘርዚሮም። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ዓለምለኻዊ መድረኽ ኢኮኖሚ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ እሱራት ፖለቲካ ተፍቲሖም፥ ተቓወምቲ ንህንጸትን ዲሞክራሲን ክሰርሑ መንግስቶም ስጉምቲ ምውሳዱን ፍርቂ ህዝቢ’ታ ሃገር ንዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምምሕዳሮም ዝለዓለ ስልጣን ከምዘለወን ሓቢሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8B%B0%E1%88%A8-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%8D%8E%E1%88%A8%E1%88%9D-%E1%89%81%E1%8C%A0%E1%89%A3\/4755883.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ሚንስተር ኮሚኒኼሽን ነበር ኣቶ በረከት ስምኦንን ታደሰ ካሳን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ","content":"ፖሊስ ብገበን ብልሽውና ተጠርጢሮም ንዝበሎም ሚንስተር ኮሚኒኼሽን ነበር ኣቶ በረከት ስምኦንን ኣቶ ታደሰ ካሳን ሎሚ ረቡዕ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ፋና ሓቢሩ። ክልቲኦም ውልቀሰባት ‘ጥረት’ ዝተባህለ ትካል የማሓድሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ገንዘብ ኣጠፋፊኦም እዮም ብዝብል ክሲ ሎሚ ንግሆ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ኮሚሽነር ኮሚሽን ጸረ ብልሽውና ክልል ኣምሓራ ዝግኣለ ገበየሁ ብምጥቃስ ፋና ሓቢሩ ። እቶም ኮሚሽነር ብተወሳኺ ኣቶ በረከት ስምኦንን ኣቶ ታደሰ ካሳን ካብ መንበሪ ገዝኦም አዲስ ኣበባ ናብ ባህርዳር ከምዝተወስዱ ገሊጾም መስርሕ ፍርዲ ድማ ኣብቲ’ቲ ገበን ዝተፈጸመሉ ክልል ከምዝካየድ አረዲኦም። ኣቶ በረከት ስምኦን ካብ 1995-2012 ሚንስተር ሚንስትሪ ኮሚኒኼሽን ዝነብሩን ሓደ ካብ መስረቲ ጥረት ኮርፐረሽን ኮይኖም ክሳብ 2017 ድማ ኣብ መሪሕነት’ቲ ኮፐረሽን ይሰርሑ ምንባሮም ይፍለጥ። ኣቶ ታደሰ ካሳ ድማ አባል ቦርድ ምምሕዳር ጥረት ዝነበሩ እዮም። ጥረት ዋንነቱ ናይ ኣምሓራ ክልል ምምሕዳር ኮይኑ ናይ መስተ መፍረይ: ናይ ህንጻን ካልእ ሎጀስቲክ ትካላትን ዝሓዘ ኮርፐረት ትካል’ዩ። ግብረ መልሲ ኣቶ በረከት ኮነ ኣቶ ታደሰ ንምርካብ ዝተካየደ ፈተነ ከምዘይተዓወተ ሮይተርስ ኣብ ዘውጽኦ ዜና ገሊጹ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%8A%BC%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%8A%A6%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%89%B3%E1%8B%B0%E1%88%B0-%E1%8A%AB%E1%88%B3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4755442.html"} {"headline":"ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ገዛኢ ፓርቲ ዲሞክራቲክ ኦሮሞን ጸገማቶም ብሰላም ንምፍታሕ ተሰማሚዖም","content":"ነቲ ብኣባ-ገዳ ማለት ብዓበይቲ ዓዲ ኦሮሞ ዝተሸምገለ ስምምዕ፡ ብወገን ኦዴፓ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ዲሞክራቲክ ፓርቲ ኦሮሞ ዶ\/ር ኣለሙ ስሜ፡ ብወገን ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ድማ ኣቦ-መንበር ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ዝተመርሐ`ዩ ኔሩ። ኣብ`ቲ መድረኽ ስምምዕ፡ ኣካቢ ሕብረት ኣባ-ገዳታት ኦሮሞ ኣባ-ገዳ በየነ ሰንበቶ “ ህዝብና ብሰላም ወፊሩ ብሰላም ክኣቱ`ዩ ዝደሊ” ኢሎም። እቶም ኣባ-ገዳታትን ኣደታት ሲቄን “ፓርትታት ፖለቲካ ዝቐረበልኩም ናይ ዕርቂ ሕቶ ክሳብ ትቕበሉና ኣይንቕመጥን፡ ንገዛና`ውን ኣይንምለስን” ክብሉ ሓቲቶም። እቶም ፓርትታት ፖለቲካ ድማ ብሓድነት፡ ካብ ኣባ-ገዳታትን ካባ ኣደ-ሲቀን ዝቐረበሎም ናይ ሰላምን ናይ ዕርቅን ስምምዕ ከምዝቕበሉ ኣፍሊጦም። ድሕሪ`ዚ ኣቦ-መንበር ኦነግ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ፡ ሰራዊት ኦነግ ንኣባ ገዳን ንህዝቢ ኦሮሞን ኣረኪብና ኣለና፡ ተጸዋዕነቱ`ውን ንኣባ-ገዳን ንህዝብን`ዩ ክብል ኣፍሊጡ። “ሰራዊት ኦነግ ኣባ-ገዳታት ብዘቐምጥዎ መንገዲ መሰረት ዕጥቁ ንኣባ-ገዳን ንዓበይቲ ዓድን እናረከበ ይእቶ” ኢሉ። ኣብ`ቲ ኮንፈረንስ ሰላም፡ ዕጡቕ ሰራዊት ኦነግ ዕጥቁ ንምፍታሕን እቲ ሰራዊት ናብ ካምፕ ንምእታውን ከምኡ`ውን ካልኦት ስምምዓት ንምፍጻም ሓደ ናይ ቴክኒክ ኮሚቴ ክቐውም ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ`ሎ። በዚ መሰረት፡ ካብ ምሁራን 11፡ ካብ ኣባ-ገዳታት 54፡ ካብ ኦዲፓ 3፡ ካብ ኦነግ 3 ኣባላት ዘለውዎ ናይ ቴክኒክ ኮሚቴ ክቐውም ተሰማሚዖም ኣለዉ። ኣብ`ቲ መድረኽ፡ ብዘይካ መሪሕነት ኦነግን ኦዴፓን ካልኦት ኣብ ኦሮሚያ ዝንቀሳቐሱ ፓርትታት ፖለቲካን ዝምልከቶም ኣካላትን ተረኺቦም ምንባሮም ጸብጻባት ቪኦኤን መንግስታዊ ሚድያን ይሕብሩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%88%93%E1%88%AD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9E%E1%8A%95-%E1%8C%88%E1%8B%9B%E1%8A%A2-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%B2%E1%88%9E%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%89%B2%E1%8A%AD-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9E%E1%8A%95-%E1%8C%B8%E1%8C%88%E1%88%9B%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%88%95-%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%88%9B%E1%88%9A%E1%8B%96%E1%88%9D\/4755366.html"} {"headline":"ፕሮፈሰር ኣስመሮም ለገሰ ፡ብዛዕባ ምስጓግ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ኣብ ቅድሚ ኣህጉራውያን ትካላት ቀሪቦም ከም ዝሞገቱ ይገልጹ","content":"ተመራማሪ ስነ-ሰብ ፕሮፈሰር ኣስመሮም ለገሰ፡ ብዛዕባ ንስርዓት-ገዳ ማለት ስርዓት-ደሞክራሲያዊ ባህሊ ብሄረ-ኦሮሞ ዝጸሓፍዎ ክልተ ዓበይቲ መጻሕፍቲ ዝምልከት ክልተ ቃለ-መጠይቕ ምክያዱ ይፍለጥ። ፕሮፈሰር ኣስመሮም ግን፡ ካልእ ምርምራት `ውን ጽሒፎም`ዮም። ብዛዕባ ምስጓግ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ብዓይኒ-ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ጠሚቶም ክልተ ምርምራዊ ዶክመንታሪታት ብምሕታምን ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣህጉራውያን ትካላትን ምቕራቦም`ውን ካብ ውጽኢት ስርሖም ሓደ`ዩ። ኣብ`ዚ ዘተኮረን ሳልሳይ ክፋልን ቃለ-መጠይቕ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8D%88%E1%88%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%88%88%E1%8C%88%E1%88%B0-%E1%89%A5%E1%8B%9B%E1%8B%95%E1%89%A3-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8C%93%E1%8C%8D-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%85%E1%8B%B5%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%88%85%E1%8C%89%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%88%9E%E1%8C%88%E1%89%B1-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B9\/4754249.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ወርሒ 13,000 ሰባት ብናይ ምሕረት ኣዋጅ ተፈቲሖም","content":"ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብክስታት ግብረ ሽበራን ክሕደት ሃገርን ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ 13,000 ሰባት ምሕረት ምፍትሓ ፈደራል ዓቃቢ ሕጊ ኣፍሊጡ ክብላ መራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ሓቢረን። ንምርጫ 2015 ስዒቡ ኣብታ ሃገር ብዝተላዕለ ተቓውሞ ተማሃሮ: ጋዜጠኛታት: ኣመራርሓ ተቓዋሚ ውድባት ዝርኸብዎም ኣስታት 30,000 ሰባት ኣብ ማእሰርቲ ምንባሮም ይፍለጥ። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናብ መዝነት ድሕሪ ምምጽኦም ነቶም ብክሲ ግብረ ሽበራ ተኸሲሶም ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ንሽዱሽተ ወርሒ ብዝጸንሕ ናይ ምሕረት ኣዋጅ ካብ ማእሰርቲ ምፍትሖም ይፍለጥ። እቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 ብፓርላማ ዝጸደቐ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ናይ ምሕረት ኣዋጅ ትማሊ ዘብቕዓ ክኸውን ከሎ በዚ አዋጅ ኣስታት 13,200 ሰባት ተጠቐምቲ ምኳኖም ንዓቓቢ ሕጊ ብምጥቃስ ፋና ብሮድካስቲንግ ሓቢሩ። ይኹን ደአ እምበር እቲ ናይ ምሕረት ኣዋጅ ብምጽናት ዓሌት: ዘይሕጋዊ መቕተልቲ: ጭውያን ሰብኣዊ ዘይኾነ ስቅያት ፈጺሞም ዝተኸሱ ከምዘይምልከት ፋና ብሮድካስቲንግ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ መንግስቲ ሕጊ ግብረሽበራ ንምምሕያሽ ምስ ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪል ማሕበረሰባት ይዘራረብ ከምዘሎ ይፍለጥ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%88%88%E1%8D%88-%E1%88%BD%E1%8B%B1%E1%88%BD%E1%89%B0-%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%88%92-13-000-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%8C%85-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%89%B2%E1%88%96%E1%88%9D\/4753781.html"} {"headline":"ሱዳን: ፍቓድ ክልተ ጋዜጠኛታት ደው አቢላ","content":"ሱዳን ኣብታ ሃገር ዝተላዕለ ተቓውሞ ሸፈነ ዝህቡ ዝነበሩ ክልተ ወኪላት ናይ ወጻኢ ሃገር መሓውራት ዜና ዝኾኑ ጋዜጠኛታት ደው አቢላ፥ ሓደ ካብኦም ወኪል ናይ ብስዑዲ እትውነን ጋዜጣ ኣል ዓረብያ ክኸውን ከሎ ዝሓለፈ ወርሒ ምስዚ ተቓውሞ ብዝተሓሓዝ ንሓጺር ጊዜ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምጽንሑ ይፍለጥ። ሓደ በዓል ስልጣን ሚንስትሪ ሓበሬታ' ታ ሃገር ቤት ምኽሪ ናይ ወጻኢ መራኸቢ ብዙሃን ስርሓት ጋዜጠኛታት ኣል ዓረብያ ድሕሪ ምዕዛብ ነዚ ውሳነ ምውሳዱ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ጋዜጣ ኣል ዓረብያ ፍቓድ ጋዜጠኛ ሰዒድ ኢል ዲን ሃሰን ደው ምባሉን ኣቕዲሙ ምስ ሸፈነ ተቓውሞ ብዝተኣሳስር ንሓጺር ጊዜ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ምንባሩን ኣፍሊጡ'ሎ። እቲ በዓል ስልጣን መንነት'ቲ ካልኣይ ጋዜጠኛ እንተዘይጠቐሰ'ዃ ወኪል ናይ ቱርኪ መሓውር ዜና ጋዜጠኛ ባህራም ዓብደልሞኒም ፍቓዱ ከምዝተሓድገ ንሮይተርስ ሓቢሩ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8D%8D%E1%89%93%E1%8B%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%8A%A0%E1%89%A2%E1%88%8B\/4752739.html"} {"headline":"ኢጣልያ፡ ካብ ወደብ ምጽዋዕ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ዝዝርጋሕ መንገዲ ባቡር ንምስራሕ ከምትሕግዝ ኣፍሊጣ","content":"ኢጣልያ፡ ካብ ወደብ ምጽዋዕ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ንዝዝርጋሕ ፕሮጀክት መንገዲ ባቡር ንናይ መጀመርያ መጽናዕቲ ክትሽፍን ምስምምዓ ኣዚዩ ዘሐጉስ`ዩ ክብል ናይ ኢትዮጵያ ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ ኣፍሊጡ። “ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝነበረና ፃንሒት ምስ ዓለምለኸ ትካላት ብዛዕባ ልምዓትን ሰላምን ብርክት ዝበሉ ምይይጣት ዝገበርና’ኳ እንተኾና፡ ብፍላይ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኮንቴ ኣብ ዝገበርናዮ ኩለ-መዳያዊ ናይ ልምዓት ምይይጥ ንወደብ ምፅዋዕን ኣዲስ ኣበባን ብመንገዲ ባቡር ንምርኻብ ንዘለና ድልየት ነቲ ናይ መጀመሪያ መፅናዕቲ ምሉእ ናይ ገንዘብ ድጋፍ ክገብሩን ነቲ ውፅኢቱ ሪእዮም`ውን ምትሕብባሮም ክቕፅሉ ዘርኣይዎ ድልየት ኣዚዩ ደስ ዘብልን ብዝለዓለ ደረጃ ዝተቐበልናዮን`ዩ።” ቀ\/ሚ ኣቢይ ሎሚ ኣብ ሮማ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኢጣልያ ጁሰፐ ኮንተ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን፡ ካልኦት ልምዓታዊ ምትሕግጋዛት`ውን ከም ዝዘተዩን ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሑን ኣፍሊጡ`ሎ። ዶ\/ር ኣቢይ ብዘይካ`ዚ ምስ ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስን ምስ ፕረዚደንት`ታ ሃገርን፡ ከምኡ ምስ ሓለፍቲ ኣህጉራውያን ትካላትን ማሕበረ-ሰብ ኢትዮጵያን ተራኺቡ ኔሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%8C%A3%E1%88%8D%E1%8B%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%8B%B0%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8C%BD%E1%8B%8B%E1%8B%95-%E1%8A%AD%E1%88%B3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8B%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8C%8B%E1%88%95-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%89%A3%E1%89%A1%E1%88%AD-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%88%95%E1%8C%8D%E1%8B%9D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A3\/4752584.html"} {"headline":"ኣከባብራ በዓል ጥምቀት ኣብ ኣስመራ","content":"በዓል ጥምቀት በደረጃ ሃገር ኣብ ከተማ ኣስመራ ማይ ጥምቀት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከባቢ ብድምቐት ተኸቢሩ። ኣብቲ ስነ ስርዓት መራሕቲ ሃይማኖት፥ኣመንቲን ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝመጹ በጻሕቲ ሃገር ተረኺቦም ኔሮም። በዓል ጥምቀት ከተማ ኣስመራ ባህላዊ መንነቱ ሓልዩ ብዝተፈላለዩ መንፈሳዊ መዛሙርን ባህላዊ ስነ ስርዓታትን ደሚቑ ተኸቢሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%AB-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8C%A5%E1%88%9D%E1%89%80%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB\/4752193.html"} {"headline":"ስነ ስርዓት ኣከባብራ በዓል ጥምቀት ኣብ ከተማ መቐለ","content":"በዓል ጥምቀት ኢየሱስ ክርስቶስ ብደረጃ ትግራይ ኣብ ከተማ ማይጨው ተኸቢሩ። እቲ በዓል ኣብ ከተማ መቐለ እውን ብሃማይኖታዊ ስርዓትን ባህላዊ ምድላዋትን ደሚቑ ተኸቢሩ። በዓል ጥምቀት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ከተማ መቐለ ብመዝሙር፣ ሁራን ደሚቑ በበዓመቱ ኣብ ዝኽበረሉ ሰውሒ ንጉስ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ተኸቢሩ። ካብ ኣብያተ ክርስትያን ከተማ መቐለ ዝወፁ ታቦታት ኣብቲ ባህረ ጥምቀት ሓዲሮም እቲ ስነሰርዓት ምስተዛዘመ ድማ ነናብ ድብሮም ተመሊሶም። ኣብቲ በዓል መራሕቲ ሃይማኖት፣ አመንቲን በጻሕቲ ሃገርን ተሳተፍቲ ኔይሮም። መምህር ፅጌ በርሀ ኣብ ከተማ መቐለ ጌተሰማኒ ቅድስት ማርያም ቤተክርስትያን ሰባኪ እዮም። በዓል ጥምቀት ኢየሱስ ክርስቶስ ብመጥምቁ ዮሃንስ ዝተጠመቐሉ እንዝክረሉ እዩ ይብሉ። ብተወሳኺ ኣብ ፅባሕ ጥምቀት ዝኽበር በዓል ቃናዘገሊላ እውን ድማ ኢየሱስ ክርሰቶስ ንፈለማ ግዜ ተኣምር ዝሰርሓሉ ዝዝከረሉ እዩ ይብሉ። ኣብቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝነበረ ኣከባብራ መናእሰይ እቲ በዓል ብሰላም ክዛዘም ተወዲቦም ካብ ምሕላው ብተወሳኺ ታቦት ኣብ ዝሓልፈሉ መንገዲ ሰቲ ነስኒሶም ምንፃፍ ብምንጻፍ ኣገልጊሎም። ናይቲ በዓል ተሳተፊቲ እቶም መናእሰይ ነቲ በዓል ኣዲሚቖምዎ ይብሉ። ሊቀ ጳጳስ ሃገረስብከት መቐለ ብፁእ ኣቡነ ኢሳየስ ኣብቲ በዓል ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ሰላም ኣብ ኢትዮጵያ ክሰፍን ኩሉ ክተሓባበር ፀዊዖም። No media source currently available በዓል ጥምቀት ብብደረጃ ክልል ትግራይ ኣብ ከተማ ማይጨው እዩ ተኸቢሩ። ኣብቲ በዓል ዝተረኸቡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ህዝቢ ትግራይ ንኽብሪ ባህሉን መንነቱን መስዋእቲ ከፊሉ እዩ ኢሎም። ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ጠሚቱ ዘስምዕዎ ዘረባ ድማ ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልኦት ህዝበታት ብፍላይ ምስ ህዝቢ ኣምሓራ ንምግጫው ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ተዛሪቦም። \"ንህዝቢ ኣምሓራ ትግራይ ክወረኩም ይዳለው ኣሎ ተባሂሉ ክሰናበድ ይግበር ኣሎ ህዝቢ ኣምሓራ ግና ነቲ ጉዳይ ይቃወሞ ኣሎ\" ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%AB-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8C%A5%E1%88%9D%E1%89%80%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88\/4752169.html"} {"headline":"ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ከኻይዶ ዝቐነየ አኼባ ዛዚሙ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ይላየድ ዘሎ ለውጢ ዓሚቕን ሰፊሕን ተስፋ ሒዙ እንተመፀ እውን ስግኣታት’ውን ዝሓዘለ እዩ ኢሉ ኣኼብኡ ሎማ ዝወድአ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ኣፍሊጡ።ዝተወደቡ ፀረ ለውጢ ኣተሓሳስባታት ብድሆታት ኮይኖም ኣለው እውን ኢሉ። ኣብ መንጎ ኣባል ፓርትታት ዘሎ ፀገማት ኣካይዳን ነንባዕልኻ ምጥርጣራትን ክዕረዩ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ሓቢሩ’ሎ። ካብ 7 ጥሪ ክሳብ ሎማ ዓርቢ 10 ጥሪ 2011 ዓ.ም ኣኼባ ዘካየደ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ኣብ መወዳእታ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ተስፋታትን ፈተናታትን ጎኒ ንጎኒ ይጉዓዙ ኣለው ኢሉ። እቲ መግለፂ እቲ ለውጢ ዘምፅኦም ውፅኢታት፣ዘጋጥሙ ዕንቅፋታትን ንቕድሚ ከጋጥሙ ኣብ ዝኽእሉ ኩነታትን ብዕምቆት ብምዝታይ ኣንፈት ከምዘቐመጠ ይገልፅ ። ፖለቲካዊ ሃውህው ኣብ ምስፋሕ፣እሱራት ብይቕሬታን ምሕረትን ክፍትሑ፣ዕጥቓዊ ቓልሲ የካይዱ ዝነበሩ ሓይልታት ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ፣መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ንምእራም ዝተወስዱ ስጉምትታትን ካልኦትን ብኣወንታ ዘርዚሩ’ሎ። እቲ ለውጢ ስግኣት ሒዙ ምምፅኡ እውን ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ገምጊሙ’ሎ።ለውጢ ህዝባዊ መሰረት ሒዙ ብኢህወዴግ ይምራሕ እንተሃለወ እውን ህዝባዊ መሰረት ዘይብሎም ፀረ ለውጢ ኣረኣእያታት ብዝተዋደደ እናተመርሑ ብድሆታት ኮይኖሞ ኣለው ኢሉ’ሎ። እቲ መግለፂ ወሲኹ ኣብቲ ህዝቢ ዘሎ ምድንጋርን ኣብ እዋን ለውጢ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ናይ ኣመራርሓ ጉድለታትን ከምኡ እውን መንነትን ካልኦት ኣጀንዳታትን ንመፈፀሚ ዕላማታቶም የውዕሉዎ ኣለው ይብል።ፅንፋዊ ኣካይዳ ብምኽታል ናይ ባዕሎም ድልየት ንምፍፃም ኣብ ህይወት፣ኣካልን ንብረትን ዜጋታት ጉድኣት ክወርድን ዜጋታት ካብ መንበሪኦም ክመዛበሉን ይሰርሑ ኣለው ይብል። ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ካብ ኣርባዕቲአን ኣባል ውድባት ናይ ኦሮሞ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ፣ናይ ኣምሓራ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ፣ናይ ደቡብ ኢትዮጵያ ህዝብታት ዴሞክራሲያዊ ምቅስቓስን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝተዋፅኡ 36 ኣባላት ዝሓቖፈ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ዘሎ ለውጢ ስዒቡ ኣብ መንጎ ኣባል ውድባት ዘሎ ሓድነትን ናይ ዕላማ ምትእስሳርን ኣብ ሕቶ ዘእትው ክስተታት ክርኣዩ ፀኒሖም ኣለው። እቲ መግለፂ ኣብ መንጎ ኣባል ፓርትታት ዘሎ ናይ ኣካይዳ ዘይምቅዳውን ምጥርጣርን ብግልፂ ከምዝተልዓለ፣እዞም ፀገማት ንመጻኢ ክፍትሑ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐን እቲ መግለፂ ሓቢሩ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%88%E1%8C%BB%E1%88%9A-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8A%A2%E1%88%85%E1%8B%88%E1%8B%B2%E1%8C%8D-%E1%8A%A8%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B6-%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%8A%90%E1%8B%A8-%E1%8A%A0%E1%8A%BC%E1%89%A3-%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%99\/4749946.html"} {"headline":"39 ሚሊዮን ኢትዮጵያዊያን ህፃናት ብከቢድ ድኽነት ከምዝሳቐዩ ሓደ መፅናዕቲ ኣፍሊጡ","content":"39 ሚሊዮን ኢትዮጵያዊያን ህፃናት ብከቢድ ድኽነት ከምዝሳቐዩ ሓደ መፅናዕቲ ኣፍሊጡ።መጠንን ዕሙቐትን ድኽነት ካብ ከተማ ኣብ ገጠር ከምዝገድድ እቲ መፅናዕቲ ሓቢሩ’ሎ። እቲ በዓል ብዙሕ ገጽ ድኽነት ህጻናት ኢትዮጵያ ዝብል መጽናዕቲ ከምዝሃበሮ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለው ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም 41 ሚልዮን ህጻናትን ቆልዑን እቶም 36 ሚልዮን ዝኾኑ መባእታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክረኽቡ ዘይክእሉ እዮም ይብል። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%88%8A%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%85%E1%8D%83%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8A%A8%E1%89%A2%E1%8B%B5-%E1%8B%B5%E1%8A%BD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%B3%E1%89%90%E1%8B%A9-%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%88%98%E1%8D%85%E1%8A%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4747629.html"} {"headline":"ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ንለውጢን ልዕልና ሕጊን ዝምልከት ኣኼባ የካይድ ኣሎ","content":"ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ኣብታ ሃገር ይካየድ ኣብዘሎ ለውጥን ምኽባር ልዕልና ሕጊ ብዝምልከት ይዘራረብ ከምዘሎ ተገሊፁ።ካብ 36 ኣባላት ፈጻሚ ስራሕ ሓደ ዝኾኑ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኢህወዴግ ኣቶ ፈቃዱ ተሰማ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብዝሃብዎ ቃል ኣብቶም ኣጀንዳታት ነፃን ግልፅን ምይይጥ የካይድ ኣሎ ኢሎም። ንሶም ኣስዒቦም እቲ ኣኼባ እቲ ለውጢ የጋጥሞ ዘሎ ፈተናታት ልዕልና ሕጊ፤ስርዓት ኣልቦነት፣ፅንፋዊነት፣ዝተወደበ ስርቅን ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላትን ብዝምልከት ዝተሰርሑ ስራሓት’ውን ዝግምግም እዩ ኢሎም። “ብፍላይ ኣብ መንጎ ኢህወዴግ ዘለው ፖለቲካዊ ውድባት ዘሎ ምጥርጣራት፣ኣብ ዴሞክራሲያዊ ጥርናፈ ዝርኣዩ ነገራት፣ንሓድነት ኣመራርሓ ዝሽርሽሩ ነገራት ብዝርዝር፣ብግልፂ፣ብብስለትን ሓላፍነትን ብዝተመልኦ ኣገባብ ምዝርራብን ምእራምን ዝከኣለሉን ሓድነት ዝሕይለሉ ኣንፈት ምቕማጥ እዩ።” ብገበን ስለዝተጠርጠሩ ኣብ ኣኼባ ፈፃሚ ስራሕ ዘይሳተፉ ኣባል ኣለው ዝብሃል ሓቂ ድዩ ተባሂሎም ዝተሓተቱ ኣቶ ፈቃዱ እቲ ኣኼባ ናይ ውልቀ ሰብ ወይ ናይ ሓደ ፍፃመ ዘይኮነስ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት እዩ ኢሎም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%88%E1%8C%BB%E1%88%9A-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8A%A2%E1%88%85%E1%8B%88%E1%8B%B2%E1%8C%8D-%E1%8A%95%E1%88%88%E1%8B%8D%E1%8C%A2%E1%8A%95-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8D%E1%8A%93-%E1%88%95%E1%8C%8A%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8A%BC%E1%89%A3-%E1%8B%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%88%8E\/4747560.html"} {"headline":"ወተሃደራዊ ምዕራብ እዚ ኢትዮጵያ 835 ኣባላት ኦነግ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣውዒለ ክብል ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ድማ፡ ሓደ ጉጅለ ኣባላት ኦነግ ዕጥቆም ፈቲሖም ናብ ሰላማዊ ቃልሲ ክንምለስ ኢና ምባሎም ተጸብጺቡ`ሎ ቤት-ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ: ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ምዕራብ ወለጋ ናይ ኣየር ደብዳብ ከምዘካየደ ዝገልጹ ጸብጻባት መሰረት ዘይብሎም ኢዮም ክብል ከሎ ወተሃደራዊ ምዕራብ እዚ ኢትዮጵያ ብወገኑ ፡ ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ተዓጢቖም ንሰላም`ቲ ኸባቢ ክህውኹ ዝጸንሑ 835 ኣባላት ኦነግ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣውዒለ ኢሉ`ሎ። ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ድማ፡ ሓደ ጉጅለ ኣባላት ኦነግ ዕጥቆም ፈቲሖም ናብ ሰላማዊ ቃልሲ ክንምለስ ኢና ምባሎም ተጸብጺቡ`ሎ። ወሃቢት-ቃል ቤት ጽሕፈት ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ቢልለኔ ስዩም፡ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ምዕራብ ወለጋ ናይ ምርግጋእ ስራሕ ይሰርሕ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ኣብ`ቲ ኸባቢ ሰራዊት ምክልኻል ኣንጻር ዕጡቓት ናይ ነፈርቲ መጥቓዕቲ ፈጺሙ ዝብል ወረ ግን መሰረት ዘይብሉ ሓሶት ምዃኑ ገሊጻ። ናይ ኣየር መጎዓዝያ ምንቅስቓስ ከም ዝነበረ ግን ኣይከወለትን። “ብማሕበራዊ ሚድያ ዝብተን ዘሎ ወረ ሓሶት`ዩ። ብነፈርቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ የለን። ኣቑሑትን ወተሃደራትን ብነፈርቲ ናይ ምምልላስ ተግባር ግን ኔሩ`ዩ። ምኽንያቱ ገለ-መተሓላለፊ መንገድታት በዞም ጸረ-ሰላም ዕጡቓት ተዓጽዩ ስለዝነበረ ብሄሊኮተር ናይ ምርግጋእ ስራሕ ክስራሕ ግድን ኔሩ። ኣብ`ቲ ቦታ ዝኸውን ዘሎ ነገር ብጌጋ ናይ ምርዳእ ኩነታት ኣሎ ።” ቤት-ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ኦሮሚያ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ`ውን፡ “መንግስቲ ናይ ሕጊ ላዕላዋይነት ንምኽባር ኣብ ዝገብሮ ምንቅስቓስ፡ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምቕራብ ንህዝቢ ንምድንጋር ፈተነታት ይግበሩ ኣለዉ” ኢሉ ኔሩ። ቤት ጽሕፈት ክልል ኦሮምያ ብተወሳኺ ኣብ`ቲ ኸባቢ ዘሎ ናይ ጸጥታ ሽግር ክንድኡ ዝኣክል ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ምውሳድ ዘድልዮ ኣይኮነን ኢሉ ። ኣብ`ቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ናይ ኦነግ ሓይልታት፡ ኣብ ብዙሕ ዘይሕጋዊ ተግባራት ተዋፊሮም ጸኒሖም`ዮም ዝበለት ወሃቢት-ቃል ቤት-ጽሕፈት ቀ\/ሚ ቢልለኔ ስዩም፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ከም ምዕጻው ጽርግያታትን ጭውያን ህዝቢ ምፍንቓልን ዝበሉ ገበናት ክፍጽሙ ጸኒሖም`ዮም ኢላ- ጾታዊ ዓመጽ ዝሓውስ ከበድቲ ገበናት ምፍጻሞም ብምጥቃስ ስለዚ ኢላ ንሳ፡ ብሕቶ ህዝብን ክልልን ሰራዊት ምክልኻል ናብ`ቲ ከባቢ ብምእታው ዕዉት ናይ ምርግጋእ ዕማም ፈጺሙ`ሎ ኢላ። “እቲ ከባቢ ተረጋጊኡ`ሎ- ንቡር ናብራ ህዝቢ`ውን ናብ ቦትኡ ይምለስ ኣሎ። ባንክታት ዝዘረፉ ሰባት`ውን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዮም ኣለዉ-ናብ ፍርዲ ክቐርቡ`ዮም። ዕጡቓት ዕጥቆም ክፈትሑ ተገይሩ`ሎ። ስለዚ ኣብ`ዚ ኸባቢ ዘሎ ሰራዊት ምክልኻል ዝተፈላለየ ዕማማት`ዩ ዘፈጽም ዘሎ።” እቲ ናይ ፈደራል ሰራዊት ምክልኻል ናይ ምዕራብ ወለጋ ተልእኩኡ መኣስ ከምዝዛዝም ብድምጺ ኣመሪካ ዝተሓተተት ወሃቢት-ቃል ቤትጽሕፈት ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ -ቢልለኔ ስዩም፡ እቲ ስርሕ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ከም ዝተጀምረን፡ ኩሉ ዝተረፈ ናይ ምርግጋእ ሰራሕ ተጻፊፉ ምስ ተወደኤ ክንሕብር ኢና ክትብል መሊሳ። ብተመሳሳሊ ዜና፡ ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ተዓጢቖም ንሰላም`ቲ ኸባቢ ክህውኹ ዝጸንሑ 835 ኣባላት ኦነግ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣውዒለ ክብል፡ ወተሃደራዊ ምዕራብ እዚ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ከም ሓበሬታ መንግስታዊ ሚዲያ ፋና፡ እቲ ወተሃደራዊ እዚ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ተዓናቒፎም ዝጸንሑ ናይ መንግስትን ናይ ውልቅን ትካላት መብዛሕቲኦም ስራሕ ከምዝጀመሩን ዝተፈላለዩ ማሕበራዊን ንግዳውን ምንቅስቓሳት ናብ ንቡር ከምዝተመልሰ ኣፍሊጡ`ሎ። ኣተሓሒዙ፡ ዝተወሰነ ጉድኣትን ናይ ባንኪ ዘረፋን እንተነበረ`ኳ፡ ብሚዲያታት ኣብ`ዚ ሰሙን`ዚ ዝቐርብ ዘሎ ግን ዝተጋነንን ዝተዛብዐን`ዩ ኢሉ። ብገበን ዝተታሕዙ ወገናት ድማ፡ ጉዳዮም ብፈደራል ዓቃቢ-ሕጊ ተታሒዙ ከምዘሎ እቲ መግለጺ ኣመልኪቱ`ሎ። ብዛዕባ`ቶም ተታሒዞም ዝተባህሉ 835 ኣባላት ኦነግ፡ ካብ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዝተዋህበ ምላሽ ዛጊድ የለን። ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ድማ፡ ሓደ ጉጅለ ኣባላት ኦነግ ዕጥቆም ፈቲሖም ናብ ሰላማዊ ቃልሲ ክምለስ ኢና ምባሎም ተጸብጺቡ`ሎ። እቶም ብኤልያስ ጋምበላ ዝብሃል ሰብ ዝምርሑ ዝነበሩ ዝተባህሉ ዕጡቓት ኣብ ዞባ ጉጂ ኣንጻር መንግስቲ ይዋግኡ ከምዝነበሩን፡ ድሕሪ ብዓበይቲ ዓዲ ዝተገብረ ናይ ዕርቂ ጻዊዒት፡ ኣብ`ቲ ውሳነ ከም ዝበጽሑ ተገሊጽ`ሎ። ብኻልእ ናይ ሎሚ ዜና፡ኣብ ከተማ ኣምቦ ድማ ተማሃሮ፡ ብሽም ኦሮሞ ዝንቀሳቐሱ ፓርትታት ዕርቀ-ሰላም ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም ኔሮም። ብተመሳሳሊ ግን ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣምቦ ሰልፊ ክንወጽእ ምስ በልና ፖሊስ ብዘንብዕ ትኪ ደው ኣቢሉና ኢሎም። ምምሕዳር`ቲ ዩኒቨርሲቲ ግን፡ ሰልፊ ክንወጽእ ኢሉ ዝሓተተና የለን-ዝኸልከልናዮ`ውን የለን ይብል። እቶም ተማሃሮ ዕላማና ንሓደ ውድብ ንምድጋፍ ወይ ነቲ ሓደ ውድብ ንምድጋፍ ዘይኮነስ፡ ኦዴፓ፡ ኮነ ኦነግ፡ ኦፌኮ ካልእ ኩሎም ኦሮሞ`ዮም ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/4745924.html"} {"headline":"‘ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ መንግስቲ ብነፈርቲ ዝተሓገዘ መጥቓዕቲ ፈጺሙ ዝብል ወረ ሓሶት`ዩ’ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ","content":"ቤት-ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ኣብ ዝርከባ ዞባታት ብነፈርቲ ኣጥቂዑ ዝብል ዝናፈስ ዘሎ ወረ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ `ዩ ኢሉ። “መንግስቲ ናይ ሕጊ ላዕላዋይነት ንምኽባር ኣብ ዝገብሮ ምንቅስቓስ፡ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምቕራብ ንህዝቢ ንምድንጋር ፈተነታት ይግበሩ ኣለዉ” ኢሉ። ሰራዊት ምክልኻል፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ዜጋታት፡ ስጉምቲ ይወስድ ኣሎ ዝብልን መጥቃዕቲ ነፈርቲ ብምፍጻም፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ጉድኣት የውርድ ኣሎ ብዝብል ዝዝርጋሕ ዘሎ ሓበሬታን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ `ዩ ኢሉ። እቲ ቤት ጽሕፈት ወሲኹ ኣብ`ቲ ፡ ኸባቢ ዘሎ ናይ ጸጥታ ሽግር ክንድኡ ዝኣክል ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ምውሳድ ዘድልዮ ኣይኮነን ኢሉ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9A%E1%8B%AB-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%89%A5%E1%8A%90%E1%8D%88%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%98-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%99-%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8B%88%E1%88%A8-%E1%88%93%E1%88%B6%E1%89%B5-%E1%8B%A9-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9A%E1%8B%AB\/4745446.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝረአ ዘይምርግጋእ ብልዝብ ክፍታሕ ባህላዊ ኣመሓደር’ቲ ክልል ጸዊዖም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘይምርግጋእን ስእነት ሰላም ይረአ ብምህላው እቲ ክልል ኣብ ስግኣት ወዲቑ’ሎ ክብሉ ባህላዊ መራሕቲ’ቲ ክልል (አባገዳታት) ተዛሪቦም። ኣብቲ ክልል ሰላም ነባሪ ሰላም ክህልው ፖርቲታት ፍልልያቶም አጽቢቦም ጸገማት ብልዝብ ክፈትሑ ተላብዮም። እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ መንግስቲ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ብደብዳብ ነፈርቲ ዝተሓገዘ መጥቓዕቲ ፈጺሙ ዝብል ወረ ካብ ሓቅነት ዝረሓቐ’ዩ ክብል ገዛኢ ፓርቲ’ቲ ክልል ኣፍሊጡ። ብካልእ ወገን ኣብ ሆሮገድሩ ወለጋ ከተማ ሻምቡ ተአሲራ ዝቀነየት ጫልቱ ታኸለ ከምዝተፈትሓት ተገሊጹ። ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ከፋ ዕጡቓት ብዘውረድዎ መጥቓዕቲ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተመዛበሉ ነበርቲ ገሊጾም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%8A%A0-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%8C%8B%E1%8A%A5-%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%8B%9D%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%88%95-%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%96%E1%88%9D\/4744312.html"} {"headline":"ኣብ ሓደ ካብ ዓበይቲ ሆቴላት ናይሮቢ ተኹሲን ድምጺ ነትጒ ምስምዑ ተገሊጹ","content":"ብረት ዝሓዙ ሰባት፡ ኣብ ኬንያ ንሓደ ዘመናዊ ሆቴልን ህንጻ ኣብያተ-ጽሕፈትን ኣጥቂዖም- ኣብ ህይወት ሰብ ጉድኣት ወሪዱ`ሎ። ሎሚ ሰሉስ ሰዓት 3፡30 ድሕሪ ቀትሪ፡ ዕጡቓት ኣብ ዱሲት ዲ2 ዝተባህለ ሆቴል ናይሮቢ ተኹሲ ከፊቶም።ናይ ዓይኒ መሰኻኽር እንተወሓደ ሓደ ፍንጀራ`ውን ሰሚዕና ኢሎም ።\\n\\nትካላት ዜና ኬንያ፡ ብዙሓት ሰባት በቲ መጥቃዕቲ ተቐቲሎም ይብላ`ለዋ። ካብ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ግን ምርግጋጽ ኣይተኻእለን። ናይ ሶማል ጥሩፋዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ’ሎ። ጽንሕ ኢሉ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ ድማ፡ ኣብ`ቲ ቦታ መሪር ግጥም ቀጺሉ ከምዘሎ ይገልጽ። ንሪፖርተር ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ሶማል ሓሩን ማዕሩፍ ዝተዛረበ ፕረዚደንት ኮሚቴ ኦሎምፒክ ሶማል ዝነበረ ዱራን ፋራሕ፡ ንሱ ምስ ብጾቱ ናብቲ ሆቴል ክኣትዉ ክብሉ፡ ተኹስን ፍንጀራን ከምዝተቐበሎምን ብሓደ ሸነኽ ከም ዝሃደሙን ገሊጹ`ሎ።\\n\\nፋራሕ ብተወሳኺ፡ ብዙሓት ዝቖሰሉ ከምዝርኣየን፡ እቶም ዕጡቓት ገና ኣብ`ቲ ህንጻ ኣለዉ ኢሉ ከምዝኣምንን ተዛሪቡ። ወሃቢ-ቓል መንግስቲ ኬንያ ኤሪክ ኪራተ፡ ሓይልታት ጸጥታ ነቲ ህናጻ ይፍትሽዎ ከምዘለዉ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ። ንሱ ምስ ቪኦኤ ብተሌፎን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ “ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ይኹን ካልእ፡ ትካላት ጸጥታ መርሚሮም ዝርዝር ሓበረታ ክህቡሉ`ዮም” ኢሉ ። No media source currently available ብኣሶሾይትድ ፕረስ ዝተፈነወ ቀጥታ ቪድዮ፡ ኣብ ኣፍደገ `ቲ ሆቴል መካይን ክነዳን ሰባት ካብ`ቲ ሆቴል ክሃድሙን፡ ወተሃደራት ድማ ናብ`ቲ ህንጻ ክኣትዉን የርኢ ኔሩ። እዚ ናይ ናይሮቢ መጥቃዕቲ ዝስማዕ ዘሎ፡ ሓደ ቤት-ፍርዲ ኬንያ ንሰለስተ ተጠርጠርቲ በቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ናይ ናይሮቢ ወስትገይት ሞል ዝተባህለ ዘመናዊ ዕዳጋ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምኽሳሱ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ`ዩ። በቲ ሽዕኡ ማለት ኣብ 2013 ብኣልሸባብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 67 ሰባት ምሟቶም ይዝከር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%89%A0%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%88%86%E1%89%B4%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%8B%AD%E1%88%AE%E1%89%A2-%E1%89%B0%E1%8A%B9%E1%88%B2%E1%8A%95-%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BA-%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8C%92-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%8B%91-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4743837.html"} {"headline":"ዶ\/ር ደብረጽየን ገ\/ሚካኤልን ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ዝተዛረብሉ ዛዕባ እንታይ'ዩ?","content":"ዶ\/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል ምስ መራሒ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝገበርዎ ክልተኣዊ ልዝብ ‘ጉዳይ ክልቲኦም ኣሓት ህዝቢታት ሰላሞምን ረብሓታቶምን ብቀጻሊ ናይ ምርግጋጽን ዘለው ሽግራት ብከመይ ከምዝፍትሑ ዝነጸርሉ’ ከምዝኾነ ወ\/ሮ ልያ ካሳ ገሊጸን። እዚ ከም’ዚ’ሉ ከሎ፣ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣየርላንድ ኣብ ትግራይ ወግዓዊ መገሻ ዝሓለፈ ሰሙን ፈጺሞም ኣለው። ‘ኣየርላንድ ነቲ ሎሚ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተረኸበ ሰላምን ምዕባለን ንክረጋገጽ ካብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚሩ ኣብ ጎኒ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ዝቆመ’ዩ’ ኢለን ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝቢን መንግስትን ክልል ትግራይ ወ\/ሮ ሊያ ካሳ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/doctor-debresion-gebremichael-and-president-isayas-afewerkin\/4742730.html"} {"headline":"ንክልል ዓፋርን ትግራይን ዘራኽብ መንገዲ ዳግም ተኸፊቱ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ካብ ትማሊ ረፍዲ ጀሚሩ ተዓጽዩ ዝነበረ መንገዲ ከምዝተኸፈተ ተገሊጹ። እቲ ካብ አዋሽ ናብ ክልል ትግራይ ዝወስድ ዝነበረ መንገዲ ክኽፈት ከሎ ካብ ማእከል ሃገር ናብ ምብራቅ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ዝወስድ መንገዲ ግን ምሸት'ዩ ተኸፊቱ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%8A%BD%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%8B%B3%E1%8C%8D%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%8D%8A%E1%89%B1\/4742665.html"} {"headline":"'መንግስቲ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ዘካይዶ ብነፈርቲ ዝተሓገዘ መጥቓዕቲ ይቕጽል ኣሎ' ነበርቲ","content":"መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ምዕራብ ኦሮሚያ ብነፈርቲ ዝተደገፈ መጥቓዕቲ ንኣርባዕተ መዓልታት ከምዝቐፀለን ሰባት ብዕጡቕ ሓይሊ መንግስቲ ይሞቱ ከምዘለውን ነበርቲ ገሊፆም።ብኻልእ ወገን ኣብ ዞባታት ቀሌም ወለጋን ምዕራብ ወለጋን ብርክት ዝበሉ ናይ መንግስትን ውልቅን ባንክታት ብዕጡቓት ሓይልታት ከምዝተዘረፉን ሰባት እውን ከምዝተጨውዩን ተፈሊጡ። ኣዲሱ ሰርቤሳ ዝተባህለ ነባሪ ወረዳ ቤጊ ንዕጡቓት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ\/ኦነግ\/ ኢና ንደሊ ብዝብል ሰባት ብዕጡቓ መንግስቲ ይቕተሉ ኣለው ኢሎም።ትማሊ ሓደ ሎማ ድማ ካልእ ሰብ ከምዝተቐትለን ኣብ ኣቤ ሻንጎ ድማ ኣርባዕተ መንበሪ ኣባይቲ ብዕጡቓት መንግስቲ ከምዝተቓፀሉን ገሊፆም። ወቢ ነሞምሳ ዝተባህለ ነባሪ ብወገኑ ካብ 3 ጥሪ ክሳብ ትማሊ ሓሙሽተ ጥሪ 5, 2011 ዓ.ም ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ኣብ ዙሪያ እታ ከተማ ነፈርቲ ብዝፈፀምኦ ደብዳብ ትካላት መሰረት ልምዓት መንግስቲ ከምዝዓነው ገሊፆም። “ቀዳም ስዓት ሸውዓት ኣብ ከተማ ቄለም ደብዳብ ነፈርቲ ተፈፂሙ።ካልኣይ ቤት ትምህርቲ ተደብዲቡ።ትካላት ኔትወርክ ስለዝተወቕዑ ኔትወርክ ይቆራረፅ ኣሎ።ትማሊ ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ ሰለስተ ደብዳብ ነፈርቲ ተፈፂሙ’ሎ።እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ስግኣት ወዲቑ’ሎ።” በቲ መጥቓዕቲ ህይወት ሰብ ንምጥፍኡ ዝፈልጡዎ ከምዘይብሎም ብምሕባር ናይ ሓረስቶት ፍሪያት ቡንን ካልኦት ንብረታትን ከምዝዓነወ ዝገለፁ ኣቶ ወቢ ነበርቲ ቄለም ንብረቶም እናራሕርሑ ናብ ከተማታት ጊዳሚን ቤግን ኣብ ምህዳም ከምዝርከቡ ገሊፆም። ሎሚ እውን ኣብ ቀሌም ወለጋን ከባቢኡ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝተፈፀመ ተፈሊጡ’ሎ። ብዛዕባ እዚ መብርሂ ንምሕታት ንሰበስልጣን መንግስቲ ዞባ ቄለም ወለጋን ክልል ኦሮሚያን ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን። ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባታት ቄለም ወለጋን ምዕራብ ወለጋን ናይ መንግስትን ውልቅን ባንክታት ብዕጡቓት ሓይልታት ከምዝተዘረፉን ሰባት ከምዝተጨውዩን ነበርቲ ገሊፆም። ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ቅድሚ ስዓት ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ዞባ ቄለም ወለጋ ከተማታት ገባ ሮቢ፣ጫንቃ፣ቅቤን መቻርን ባንክታት ከምዝተዘረፉ ኣቶ ቡሉሱማ ዱፌራ ዝተባህሉ ናይ ዓይኒ ምስክር ሓቢሮም። “ገንዘብ ንምውፃእ ናብ ባንኪ ከይደ ነይረ።ሪጋ በዚሑ ነይሩ።መብዛሒቲኦም ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ዝኾኑ ኣስታት 19 ዕጡቓት መፂኦም።ክልቲኦም ባንክታት ጎኒ ንጎኒ ስለዝነበሩ ብኩንታል መሊኦም ብመኪና ፅዒኖም እናደረፉ ወሲዶምዎ።” እቶም ዕጡቓት ኣብ ከተማ ገባ ሮቢ ናይ ዝርከብ ንግዲ ባንክን ትካል ሕብረት ስራሕ ኦሮሚያን ኣካየድቲ ስራሕን ተሓዝቲ ገንዘብን ብድምር ንኣርባዕተ ሰባት ዓፊኖም ከምዝወሰዱዎም ኣቶ ብሉሱማ ተዛሪቦም። ሓላፊ ፀጥታ ቄለም ወለጋ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ተሓቲቶም ባንክታት ምዝራፎም ከምዝፈልጡ ብምግላፅ ካብቲ ከባቢ ሪሒቖም ስለዝርከቡ ዝርዝር ሓበሬታ ከምዘይብሎም ንቪኦኤ ገሊፆም። ናይ ኢትዮጵያ ንግዲ ባንኪ ኣካያዲ ስራሕ ምዕራብ ዲስቲሪክት ኣቶ ግርማ ጪብሳ ንቢቢሲ ኣብዝሃብዎ ቃል ሓሙሽተ ጨንፈራት ባንኪ ብዕጡቓት ከምዝተረፉን ካልኦት ሓሙሽተ ጨንፈራት ምዕናዎምን ገሊፆም።ካብ ዝተጨወዩ ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት ባንኪ ክልተ ከምዝተፈትሑ እውን ሓቢሮም። ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ እውን መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ሽዱሽተ ወረዳታት ንዝርከቡ 10 ባንክታትን ሓደ ናይ ልቓሕን ውሕለላን ትካል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝዘረፉ ገሊፆም።ኣብ ኣርባዕተ ወረዳታት ዝርከቡ ኣስታት 37 መንግስታዊ ትካላት ብሓዊ ኣባሪዖም ክብሉ ዋና ኣመሓዳሪ ናይቲ ዞባ ኣቶ ገመቺስ ተመስገን ንቪኦኤ ገሊፆም። ኣብ ላሎሳቢ ወረዳ ልዕሊ 20 ኣባያተ ፅሕፈት መንግስቲ ከምዝተቓፀሉ እውን ኣማሓዳሪ ወረዳ ኣቶ ጂሪኛ መላኩ ንቪኦኤ ሓቢሮም። ኣብ ቤት ፅሕፈት ናይ ኦሮሞ ዴሞክራቲክ ፓርቲ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ኣቶ ታየ ደንደኣ ትማሊ ንርእይቶ ኣብዝሃብዎ ር እይቶ ምኽንያት ኣብቲ ክልል ይኽሰት ናይ ዘሎ ስእነት ሰላምን ዘይምርግጋእ ኦነግ እዩ ኢሎም። ኦነግ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ክልቲኦም ወለጋ ኣብዝተኻየደ ወራር ባንክታት ኢዱ ከምዘይብሉ ገሊፁ’ሎ።ወሃቢ ቃል ኦነግ ኣቶ ቶሌራ ደባ ንቪኦኤ ከምዚ ኢሎም። “ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዝንቀሳቐስ ናይ ኦነግ ዕጡቕ ጉጅለ ንባንክታት ከምዝዘረፈ ዝግለፀ ዘሎ ሽም ኦነግ ንምፃልም እዩ።ዕጡቓት ኦነግ ንባንኪ ይዘርፉ እዮም ኢልና ኣይንኣምንን።እዚ ንናይ ኦነግ ሽም ንምፅላም ዝካየድ ዘሎ ውዲት እዩ።” መንግስቲ ብነፈርቲ ዝሕገዝ ውግእ ከፊቱ’ሎ ዝበሉ ኣቶ ቶሌራ ይካየድ ዘሎ ውግእ ደው ኢሉ ዘይምርድዳእ ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕ ኦነግ ድልዊ እዩ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6-%E1%89%A5%E1%8A%90%E1%8D%88%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%98-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8B%AD%E1%89%95%E1%8C%BD%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/4742641.html"} {"headline":"ጽባሕ ቀዳም ምሸታዊ ሙዚቃዊ ምርኢት ኣብ ማይ-ዓይኒ ትግራይ ተዳልዩ ኣሎ","content":"‘ሕጂ’ውን ቅኒት መዝሙር ሰላም ንክልቲኡ ህዝቢታት’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ጽባሕ ቀዳም ተቐማጦ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒን ከባቢኡን ዲቕ ዝበለ ሙዚቃዊ ምርኢት ይጽበዮ ኣሎ። ነቲ ሙዚቃዊ ምራኢት ንምድማቕ ኮኸባት ኪነ ጥበባዊያን ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ’ቲ ስፍራ ተበጊሶም ኣለው። ሎሚ ዓርቢ ኣብ ሽረ ምስ በጽሑ ዘዘራረብናዮም ኢትዮጵያዊ መርከብ ባርያጋብር (ቦኒትዋ)ን ኤፍረም ኣማረን ‘ናብ’ቲ ምርኢት እኹል ምድላው ገይሮም ከምዝነቐሉ’ ገሊጾምልና ኣለው። ኤርትራዊ ናሆም ዮሃንስን ኣድያም ስብሓቱን’ውን ኣብ’ቲ መድረኽ ከምዝሳተፉ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ገሊጹ’ሎ። እንተኾነ ኣድያም ምስ ኣዳለውቲ (ምኽንያቱ’ኳ ኣይፈለጥናዮን) ስለዘይተሰማመዐት ክሳብ’ዚ ዜና’ዚ ዘዳለናሉ ሰዓት ናብ ሽረ ከምዘይኣተወት ንምፍላጥ ኪኢልና ኣለና። ኣብ ጉጅለ\/ባንድ ግዕዝ ተሓቒፎም ዘለው ጆን ራስታ፣ ናሆም ዮሃንስ፣ ኤፍረም ኣማረ፣ ዓለምሰላም ወላይን መርከብ ቦኒትዋን’ዮም። ነቲ ሙዚቃዊ ምርኢት ዘዳለውዎ ብምትሕብባር 'ሰለብሪቲ ኢቨንትስን' ወናኒ ሃብቲ ኣቶ ዳዊት ገ\/ሄርን ምኳኑ'ውን ተፈሊጡ ኣሎ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/celebrity-events-ethiopia-eritea-may-ayni-refugees-in-north-ethiopia\/4739527.html"} {"headline":"ኦነግ ምስ መንግስቲ ንምልዛብ ሓድሽን ዘይወገናዊን አካል ከምዝደልይ ኣፍሊጡ","content":"ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብዘውፅኦ ጋዜጣዊ መግለፂ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰላም ንምፍጣር ብሓዱሽን ዘይወገናዊን ኣካል ክላዘብ ከምዝደልይ ገሊፁ። ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ክልል ኦሮሚያ ሞትን ዕንወትን ይፈጥር ኣሎ ክብሉ ይኸሱ። ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ብወገኑ ዕጡቓቱ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክፅንበሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣተዎ መፅብዓ ኣየኽበረን ክብል ይኸስስ።ብሰንኪ እዚ ድማ ምትእምማን ከምዝጠፍአ ወሃቢ ቃል ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣቶ ቶሌራ ኣደባ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም። ወሃቢ ቃል ገዛኢ ፓርቲ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ታየ ደንድኣ ብወገኖም ብቕዓት ዘለዎም ኣባላት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ምስ ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ ምፅንባሮም ክእለት ዘይብሎም ድማ እግሪ መትከሊ ተዋሂቡዎም ምስቲ ሕብረተሰብ ክፅንበሩ ተገይሮምን እዮም ክብሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም። ሰማዕትና ድምጺ ኣሜሪካ ንኽልቲኦም ብሓባር ዓዲሙ ዘካየዶ ዘተ ኣብ ዝቕፅል መደብና ክነቕርቦ ኢና።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A6%E1%8A%90%E1%8C%8D-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8B%9B%E1%89%A5-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%8C%88%E1%8A%93%E1%8B%8A%E1%8A%95-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8B%B0%E1%88%8D%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4739376.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣየርላንድ ኢትዮጵያ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋፅ እተገብሮ ፃዕሪ መንግስቶም ደገፉ ከምዝቕፅል ገሊጾም","content":"ኢትዮጵያ ውሕስነት መግቢ ዜጋታታ ንምርግጋፅ እተገብሮ ፃዕሪ መንግስቶም ደገፉ ኣሐይሉ ከምዝቕፅል ቀዳማይ ሚንስትር ኣየርላንድ ሊዮ ቫርዱካር ገሊፆም። ንሶም ነዚ ዝተዛረቡ ኣብ ትግራይ ማእኸላይ ዞባ ኣይርሽ ኤይድ ንዝምውሎም ፕሮጀክትታት ትማሊ ሓሙስ ድሕሪ ምዕዛቦም ኣብዝሃብዎ ርእይቶ እዩ። ሎማ ዓርቢ እውን ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ዝርከብ ማይ ዓይኒ መዕቐቢ ስደተኛታት ዑደት ፈፂሞም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%8B%A8%E1%88%AD%E1%88%8B%E1%8A%95%E1%8B%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%8D%E1%88%95%E1%88%B5%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%8C%8B%E1%8D%85-%E1%8A%A5%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%AE-%E1%8D%83%E1%8B%95%E1%88%AA-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8B%B0%E1%8C%88%E1%8D%89-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%95%E1%8D%85%E1%88%8D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/4739360.html"} {"headline":"ዶ\/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ንጉዳይ ሰላምን ዕርቅ ብዝምልከት ምስ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ዘትዮም","content":"መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ሰላምን ዕርቅን ጠሚቱ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዘትዮም። ኣብቲ ዘተ ሰላም ኣብ ኢትዮጵያ ንምስፋን መራሕቲ ግቡኦም ክፍፅሙ ጻዊዒት ቐሪቡ። ዶክተር ደብረፅዮን ብግዲኦም ሰላም ኣብ ትግራይ ኣሎ እዩ ኣብ ኩሉ ከባቢ ሰላም ክህሉ ድማ ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም። No media source currently available ኣብ ጉዳይ ሰላምን ዕርቅን ዝተካየደ ዘተ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ኢትዮጵያ ምስ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብፀሎት ተጀሚሩ ብፀሎት’ዩ ተዛዚሙ። ኣብቲ ዘተ ፓትሪያሪክ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዜጋታት ይመዛበሉ ይቕተሉን ኣለው። ህፃናትን ሽማግለን እውን ይገላትዑ ኣለው ክብሉ ተዛሪቦም። እዚ ድማ ሓደጋ እዮ’ሞ ብፍላይ መራሕቲ ዓዲ ጠመተ ገይርኩም ስርሕሉ ኢሎም። ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሸኽ መሓመድ ኣሚን ብወገኖም እቲ ዘሎ ፀገም ኣብ ፖለቲከኛታት ምዃኑ ኣብ ሰላም ጠሚቱ ኣብ ዘካየድናዮም መድረኻት ህዝቢ ነጊሩና እዩ እሞ፤ ሰዓርን ተስዓርን ዘይብሉ ንሰላም ኣቐድሙ ክብሉ ገሊፆም። ካብ ዓበይቲ ዓዲ ድማ መራሕቲ ንሰላም ደው ክብሉ ምሕፅንታ ካብ ዘቕረቡ ወ\/ሮ ማርያ ዝተበሃላ ወላዲት እየን \"ኣብዚ ሰዓት'ዚ ኣብ ዩኒቨርሲታት ትግራይ ዘለዉ ተማሃሮ ጥራሕ እዮም ብሰላም ዝመሃሩ ዘለዉ። ኣብ ካልኦት ሰላም ስኢኖም ይሕመሱ ኣለዉ። እዚ ድማ ንኣዴታት ምሒር የቑስለና'ሎ\" ኢለን። ካልእ ካብ ዓበይቲ ዓዲ ኣካል እቲ ጉጅለ ዝኾኑ ድማ ኣባላት ኢህወደግ ዝኾንኩም ፈለማ ኣብ ሞንጎኹም ስኒት ኣውርዱ እሞ ንካልኦት ይቕሬታ ምሃሩ ኢሎም። ዶ\/ር ደብረጽዮን ብወገኖም ፖለቲካዊ መራሕቲ ግቡእና ስለ ዘይሰራሕና ኢኹም መልእኽቲ ሰላም ሒዝኩም ትፅዕሩ ዘለኹም ኢሎም። ህዝቢ ትግራይ ሎሚ እውን መስዋእትነት ይኸፍል ኣሎ ማእኸላይ መንግስቲን ጎረቤት ክልል መንግሰት ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢን መንግሰትን ትግራይ ዘሚቱ ኣሎ ኢሎም ተዛሪቦም። ዶክተር ደብረፅዮን ብተወሳኺ እቲ ፀገም ዝተፈጠረ ኣብ መንጎ ኣባላት ውድባት ኢህወደግ ዘሎ ሕብእብእ ዝወለዶ እዩ ኢሎም ። ምስ መሪሕነት ክልል ኣምሓራ ኣቀራሪብና ክነዛትየኩም ዝብል ሓሳብ ካብቶም መራሕቲ ሃይማኖትን ሽማግለ ዓድን ዝቐረበሎም ኮይኑ ዶክተር ደብረፅዮን ድማ \"ቅድሚ ሕጂ እውን ንኣይተ ገዱ ናብ ዝደለዮ መፂአ ክንዛተ ፍቓደኛ ከምዝኾንኩ ገሊፀሉ እየ\" ክብሉ ተዛሪቦም። እቶም መራሕቲ ሃይማኖትን ሽማግለ ዓዲን ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝነበሮም መድረኽ ኣይተ ገዱ እውን ምስ ዶ\/ር ደብረጽዮን ንምዝርራብ ድልዊ እየ ከምዝበሉዎም እቶም ተወከልቲ ተዛሪቦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%8D%85%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%9A%E1%8A%AB%E1%8A%A4%E1%88%8D-%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%8B%95%E1%88%AD%E1%89%85-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%88%83%E1%8B%AD%E1%88%9B%E1%8A%96%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%93%E1%89%A0%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%8B%93%E1%8B%B5%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%88%9D\/4739312.html"} {"headline":"ኣብ መንጎ ኣምሓራን ቅማንትን ብዝተላዕለ ግጭት ሰራዊት ምክልኻል ናብ ከተማ መተማ ምእታው ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ምዕራብ ጎንደር ኣብ መንጎ ኣምሓራን ቅማንትን ትማሊን ሎሚን ዝተላዕለ ግጭት ንምርግጋእ ሰራዊት ምክልኻል ናብ ከተማ መተማ ከምዝኣተወ ናይቲ ክልል መንግስቲ ቤት ጽሕፈት ጸጥታን ምክልኻል ኣፍሊጡ። ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ንክልተ መዓልታት ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ሕድ ሕድ ሰባት ከምዝሞቱ አባይቲ ከምዝነደደ ክልቲኦም አካላት ኣፍሊጦም : እንተኾነ ግን ኣሃዛዊ መረዳእታ ኣይሃበን። ብኻልእ ወገን ብሶሉስ ኣብ ምዕራብ ጎንደር ዞባ ገንዳውሃን ኮኪትን ሰራዊት ምክልኻል ብዝወሰዶ ስጉምቲ ሓደ ትሕቲ ዕድመ ቆልዓ ሓዊሱ ሸውዓተ ሰባት ምሟቶምን 17 ምቁሳሎም ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ክልል ኣምሓራ ገሊጹ ይኹን ደአ እምበር ናይ መን ጥይት ነቶም ሰባት ከምዝቐተለ ገና ኣየረጋገጽናን’ውን ኢሉ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ደሕነትን ክልል ኣምሓራ ብርጋዴር ጀነራል አሳምነው ጽገን ምክትል ኤታ ማጆር ሹም ሓላፊ መምርሒ ወፍሪ ሰራዊት ምክልኻልን ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ድምጺ ኣሜሪካ ኣዘራሪብዎም ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8E-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%89%85%E1%88%9B%E1%8A%95%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4739189.html"} {"headline":"ምኽትል ኤታ-ማጆር ሹም ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኩነታት ጸጥታ`ታ ሃገር ንቪኦኤ ተዛሪቡ","content":"ኣብ`ዚ ሰሙን`ዚ ኣብ ፓርላማ ቀሪቡ ብዛዕባ ኩነታት ጸጥታ መብርሂ ዝሃበ ምኽትል ጠቕላሊ ወታሃደራዊ ስታፍ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ ሎሚ ድማ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ቃለ-መጠይቕ ኣብ ዝካየደሉ እዋን፡ ብዛዕባ ብዕጡቓት ኦነግ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዝተኻየደ መጥቃዕትን፡ ብሓይልታት ምክልኻል ዝተወስደ ስጉምትን፡ ከምኡ ድማ ብዛዕባ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን፡ ኣተሓሕዛ ግጭታትን ተሓቲቱ መሊሱ`ሎ። ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ፡ ህዝቢ ዘበሳብሱ ዝነበሩ ዕጡቓት፡ ሰራዊት ምክልኻል ብዝወሰዶ ስጉምቲ ዝተታሓዙን ናብ ጫካ ዝሃድሙን ኣለዉ ዝበለ ጀነራል ብርሃኑ፡ ኣብ ንግዲ-ኣጽዋር ተዋፊሮም ዝነበሩ ሒዝና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘእተናዮም ብዙሓት ኣለዉ ኢሉ። ብዛዕባ መንነት`ቶም ዝተታሕዙ ግን ንፈደራል ፖሊስ ዝምልከት ሕቶ`ዩ ኢሉ። ንምዃኑ ዘይ-ሕጋዊ ኣጽዋራት ንምቁጽጻር ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ እንታይ ይመስል ንዝብል ሕቶ ክምልስ ከሎ ድማ ከምዚ ይብል። “ሕጂ ንግዚኡ ዝስራሕ ዘሎ ዘይሕጋዊ ዝውውር ብረት ኣብ ዝተረኽብሉ ምሓዝን ኣብ መውጽኢን መእተዊን ዶባት ክትትል ምግባርን ኣብ ማእከል ሃገር ኣብ ዘለው ዘይሕጋዊ መፈተሺ ኑቑጣታት ናይ ምቁጽጻር ስራሕ’ዩ ዘሎ።” ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ኣተሓሒዙ፡ ኣብ ገለ ኽፋላት ምዕራባዊ ኦሮሚያ፡ ሰራዊት ምክልኻል ስጉምቲ ብምውሳድ ነቲ ኩነታት ከምዝረጋጋእ ከም ዝገበረ ብምግላጽ፡ ዓይነት ናይቲ ስጉምቲ ይገልጽ፡ “ሰራዊት ምክልኻል ዝወሰዶ ስጉምቲ ቀዳማይ መንገዲ ምኽፋት ካልኣይ ከተማታት ስርሓን ንክሰርሓ ምግባር’ዩ። ብዙሓት ዕጡቓት ተታሒዞም’ዮም፡ አድብዮም ናብ ምክልካል ዝተኾሱ ድማ ስጉምቲ ተወሲድሎም’ዩ። ምስ ሓይልታት ምክኻል ፊት ንፊት ክገጥምሉ ዝኽእሉ ዓቕሚ ኾነ ብቕዓት የብሎምን።። ንሕና ነቶም ሃዲሞም ናብ ጫላ ዝኣተው’ውን ናይ ምቕታል ዕላማ የብልናን።” ኣስዒቡ፡ እኳ ድኣስ በቲ ሒዞሞ ዘለዉ መንገዲ ዝዕወት ነገር ከምዘየለ ተገንዚቦም ብልዕልና ሕጊ ተማእዚዞም ናብ ሰለማዊ ናብራ ክምለሱ ኢና ንጽዕር ዘለና ኢሉ። ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ሰላማውያን ሰባት ቀቲሉ ዝብል ስምዕታ ካብ ኦነግ ቀሪብዎ`ሎ፡ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም`ውን ተቐቲሎምና ዝበሉ ኣለው። ጀነራል ብርሃኑ ግን ኣብ ልዕሊ ሸፋቱ`ምበር ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰብ ዝወስድናዮ ስጉምቲ የለን ብምባል ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ኣብ ኣምሓራን እቲ ሰራዊት ዝተኸተሎ ኣተሓሕዛ ብዝምልከት ክምልስ ከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ብረት ዘይዓጠቑን ዘይተኮሱን መንእሰያት ትግራይ፡ መኻይን ዓጺኹምና ኢልና ስጉምቲ ኣይንወስድን ኢሉ። ኣብ ኣምሓራን ኦሮሚያን እንኽተሎ`ውን ሓደ ዓይነት`ዩ ኢሉ። “ ኣብ ልዕሊ እዞም መንእሰያት ተኹሱ ድዩ ዝበሃል ዘሎ ንመንእሰያት ክንጭፍጭፍ? ናብኦም ተኹስካ ንዕኦም ረጊጽካ ካብ ምሕላፍ ንዕኦም ኣእሚንካ ምሕላፍ ይምረጽ። ኣብ ክልል ኣምሓራ’ውን ብኸምኡ መልክዕ ንሰራዊት ደው ዘበለ የለን እምበር እንተዝነብር ኣይንወቕዖን ኢና። ስለዚ ኣብ ኣምሓራ ኾነ ኦሮምያ ዝተቐትለ ሽፍታ እምበር ሰላማዊ ሰብ የለን። ኣብ ትግራይ’ውን ተኹሲ ዝኸፍት እንተሃልዩ ስጉምቲ ክውሰደሉ’ዩ።” እቲ ወተሃደራዊ ሓላፊ ኣብ መወዳእታ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ኣብ ዝሓየለ ደረጃ ከምዘሎን፡ ጥንካሪኡ ዝምዘን ድማ ብድጋፍ ህዝቢ ምዃኑ ክብል ብምግላጽ፡ እቲ ሕጂ ዘሎ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብሓዲሽ መልክዕ ዝቖመ ምዃኑ ሓቢሩ። ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%89%B5%E1%88%8D-%E1%8A%A4%E1%89%B3-%E1%88%9B%E1%8C%86%E1%88%AD-%E1%88%B9%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8B%9B%E1%8B%95%E1%89%A3-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8A%95%E1%89%AA%E1%8A%A6%E1%8A%A4-%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%88%AA%E1%89%A1\/4737757.html"} {"headline":"ኣብ ጎንደር ገንዳውሃ ዘጋጠመ ጉድኣት ዘጻርይ አካል ናብቲ ቦታ ከምዝልኣኽ ኣመሓዳሪ’ቲ ክልል ሓቢሮም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ፣ክልል ኣምሓራ፣ዞባ ምዕራብ ጎንደር ገንዳውሃ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ዝወረደ ጉድኣት ዘፃሪ ኣካል ናብቲ ከባቢ ብቕልጡፍ ክልኣኽ እዩ ክብሉ ርእሰ ኣማሓዳሪ ናይቲ ክልል ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ኣፍሊጦም። ሓደ ናይ ኮንስትራክሽን ትካል መኪናታቱ ካብ ሓደ ፕሮጀክት ናብ ካልእ ፕሮጀክት ከንቀሳቕስ ኣብቲ ከባቢ ብዘሎ ኩነታት ፀጥታ ብሓይልታት ምክልኻል ተዓጂበን ይጉዓዛ ኣብ ዝነበራሉ እዋን ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ብትዕግስቲን ምርድዳእን ክፍታሕ ነይሩዎ ኢሎም። ብዝተፈጥረ ግጭት ኣብቲ ግጭት ተራ ዘይነበሮም ንፁሃን ዜጋታት ሓዊሱ ህይወት ሰብ ምጥፍ ኡ እቶም ርእሰ ኣማሓዳሪ ሓቢሮም። ንሶም ብተወሳኺ እቲ ጉዳይ ተፃሪዩ ተመጣጣኒ ዘይኮነ ስጉምቲ ዝወሰዱ ኣካላት ብሕጊ ክሕተቱ እዮም ኢሎም ። ብተወሳኺ እውን ኣብ ምዕራብ ጎንደር ናይ ሕድ ሕድ ምጥፍእ ህይወት ከምዝቐፀለ ብምሕባር ንፁሃን ህዝብታት ኣምሓራን ቅማንትን ንሓደጋ ዘቃልዕ ስለዝኾነ ብቕልጡፍ ደው ክብል ኣለዎ ኢሎም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%8C%88%E1%8A%95%E1%8B%B3%E1%8B%8D%E1%88%83-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%8C%89%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%8C%BB%E1%88%AD-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%8A%93%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%89%A6%E1%89%B3-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8A%BD-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%83%E1%8B%B3%E1%88%AA-%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/4737614.html"} {"headline":"መድረኽ ዘተ ሰላም ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ኣብ ሑመራ ተኻይዱ","content":"ኣብ ከተማ ሰቲት ሑመራ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ንምሕያል ኣብ ዝዓለመ መድረኽ ካብ ኦምሓጀርን ኸባቢኣን ንዝመፅኡ ብኣሸሓት ዝቑፀሩ ኤርትራውያንን ኣመራርሓ ዞባ ጋሽ ባርካ ዝተሳተፍሉ ናይ “እንኳዕ ደሓን መፃእኹም” ስነስርዓት ተኻይዱ። እቲ መድረኽ ዘተ ሰላም፥ ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ዘሎ ርክብ ብዝበለፀ ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ ተባሂሉ። ኣብቲ መድረኽ ሰላም ንምስታፍ ዝመፁ ኤርትራዊ ኣይተ ሓዱሽ ተኽላይ ንፈለማ እዋን መሬት ኢትዮጵያ ከምዝረገፁን ብምሕባር ኣብ እቲ መድረኽ ሰላም ሕውነት ዝተንፀባረቐሉን ነይሩ ይብሉ። እቲ ምትሕውዋስ ህዝቢ ዝተፈጠረ ሳላ ሰላም ዝተረኸበ እዩ ዝበሉ ኣይተ ሓዱሽ እዚ ሰላም ኩላትና ንሓልዎ ኢሎም። ኣይተ ተኸስተ ገብረማርያም ዝተባህሉ ነባሪ ከተማ ሰቲት ሑመራ ብወገኖም ናብቲ መድረኽ ሰላም 1000 ኤርትራውያን ተዓዲሞም ዋላካ ተነበሩ ልዕሊ እቲ ትልሚ ኣስታት 10 ሽሕ ዝኣኽሉ ተረኺቦም ኢሎም። ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ጀሚሩ መሰመር ሑመራ ኦምሓጀር ካብ ዝኽፈት ኢትዮጵያውያን ናብ ኤርትራ ኤርትራውያን ድማ ናብ ኢትዮጵያ ብበዝሒ ይኣትዉ ኣለዉ ኢሎም። ኣብቲ መድረኽ ካብ ዝተረኸቡ ኣመራርሓ ዞባ ጋሽ ባርካ ኣይተ ሓጎስ ዓንደብርሃን ኣቀባብላ ህዝቢ ሑመራን ኣመራርሓን ዝምስገን እዩ ኢሎም። ኣብቲ መድረኽ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኤርትራውያን ነበርቲ ኦምሓጀርን ከባቢኣ፣ ካብ ኩለን ወረዳታት ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝተውፃኡ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ካልኦት ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ተረኺቦም። ዶክተር ደብረፅዮን ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተፈጠረ ሰላም ንድሕሪት ከይምለስ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ቁርፀኛ እዮም ኢሎም። ብተወሳኺ ድማ ዶክተር ደብረፅዮን ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ዘጋጠመ ኪሳራ እቲ ዝተፈጠረ ሰላም ብምጥቃም ነከሓሕሶ ኢሎም። እቶም ተሳተፍቲ፥ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ሰላም ክልቲኦም ህዝብታት ናብ ንቡር ተመሊሱ ኣብ ሩባ ተከዘ ዳግም ሓቢሮም መድረኽ ሰላም ዘካየድሉ እዩ ኢሎም። ዶብ ሑመራ-ኦምሓጀር መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተረኸብሉ 29 ታሕሳስ 2011 ዓ.ም ብወግዒ ከምዝተኸፈተ ይዝከር። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%8A%BD-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%91%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/4737576.html"} {"headline":"ነበርቲ ዞባ ሆሮጉድሩ ክልል ኦሮምያ ሰባት ብኮማንድ ፓስት ተአሲሮም ክብሉ ገሊጾም","content":"ነበርቲ ዞባ ሆሮጉድሩ ከተማ ሻምቡ ክልል ኦሮምያ ሰባት ብኮማንድ ፖስት ተአሲሮም ክብሉ ገሊጾም። ካብ መንጎ’ቶም ዝተአሰሩ ንዝሓለፈ 12 ዓመታት ተአሲራ ዝነበረትን ዝሓለፈ ዓመት ብምሕረት ዝተለቐቀት ኣክቲቪስት ጫልቱ ኣቤቱ ከምትርከቦም ተገሊጹ’ሎ። ኣብ ካልኦት ከተማታት ምዕራብ ኦሮምያ’ውን ሰባት ተአሲሮም ክብሉ ነበርቲ ገሊጾም ኣለው። ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ክልል ኦሮምያ ዝተአሰሩ ሰባት ካብቲ ማሕበረሰብ ብዝተረኽበ ሓበሬታ’ዩ ክብል ኣፍሊጡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%88%86%E1%88%AE%E1%8C%89%E1%8B%B5%E1%88%A9-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8A%AE%E1%88%9B%E1%8A%95%E1%8B%B5-%E1%8D%93%E1%88%B5%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8A%A0%E1%88%B2%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/4737356.html"} {"headline":"ሱዳን፡ ኣብ ከተማ ኡምዱርማን ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ሰለስተ ሰባት ምሟቶም ፖሊስ ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታትን ከባቢታት ሱዳን ይካየዱ ዘለው ዓበይቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊታት ሓደ ምዃኑ ዝተገልጸ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ከተማ ኡምድርማን ምክያዱ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዜጋታት ናብ ጎደናታት ኡምዱርማን ብምውጻእ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ “ናጽነት፡ሰላም፡ፍትሒ” “ቃልሲ ምርጫ ህዝቢ’ዩ” ዝብሉ ጭርሖታት ከምዘስምዑ ተፈሊጡ’ሎ። መራኽቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ፖሊስ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምጥቓሙ ሓቢረን ኣለዋ። No media source currently available ብተወሳኺ ፖሊስ ኣብቲ ፍጻሜ ሰለስተ ሰባት ምሟቶምን ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ካልኦት ምቁሳሎም ገሊጹ’ሎ። እዚ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዝተኻየደ ፕረዚደንት ዑመር ኣል በሽር ንደገፍቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እቲ ካብ መዝነቶም ክወርዱ ዝጠልብ ተቓውሞ ከምዘይቕበልዎም ካብ መዝነቶም ዝወርዱ ብምርጫ ጥራይ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጾም እዩ። ይኹን ደአ እምበር ንሶም ኣብ መደረኦም እቲ ተቓውሞ ገዛኢ ፓርቲ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ኣብ መዝነት ዝጸንሕሉ ናይ ጊዜ ገደብ ንምንዋሕ ንቅዋም’ታ ሃገር ምምሕያሹ ስዒቡ ዘጋጥም ዘሎ ምዃኑ ግን ኣይጠቐሱን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%A1%E1%88%9D%E1%8B%B1%E1%88%AD%E1%88%9B%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B0-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%88%9E-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4737238.html"} {"headline":"ም\/ወተሃደራዊ ጠቕላሊ ስታፍ ኢትዮጵያ፡ `ስግኣት ምፍጣር ዝለመደ ኣካል ንምንቅስቓስ ሰራዊትና ከተዓናቕፎ ይፍትን ኣሎ` ኢሉ","content":"ምኽትል ጠቕላሊ ወተሃደራዊ ስታፍ ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ ኣብ ዶብ ኤርትራ ዝነበረና ሰራዊት ናብ ካልእ ቦታ ከይነግዕዝ ዝፍትን ኣካል ኣሎ ኢሉ፡ እንተኾነ ደው ከብሎ ዝኽእል ኣይኮነን ኢሉ። “ክልል ትግራይ ንምንቅስቓስ፡ ሰራዊት ናይ ምትዕንቓፍ ድልየት የብሉን። እቲ ኽልል ማለት ዝተወደበ ናይ ትግራይ መንግስቲ ማለት`ዩ። እቲ ሰራዊት ናይ ህዝቢ ትግራይ ሰራዊት`ውን እዩ። ህዝቢ ትግራይ ንሰራዊት ኣይዓግትን።\" ንፓርላማ ኢትዮጵያ መብርሂ ዝሃበ ጀነራል ብርሃኑ፡ እቲ ናይ ምትዕንቓፍ ተግባር ዘይቅቡል`ዩ ድሕሪ ምባል፡”ንምንቅስቓስ ሓይሊ ምክልኻል ግን ማንም ክዓግቶ ዝኽእል የለን” ኢሉ። ኣተሓሒዙ፡ ካብ ዶብ ኤርትራ ሰራዊት ክሰሓበሉ ዘድለየ ምኽንያት፡ ናይ ወራር ስግኣት ስለዘየለ ከምኡ ድማ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራን መሪሕነቱን ናብ ኩናት ዘይኮነስ ናብ ሰላምን ናብ ሓቢርካ ምምዕባልን ኣንፊቶም ስለዘለዉ`ዩ ኢሉ። “ናይ ወራር ስግኣት ኣሎ ኢልና ኣይንኣምንን። ኣብ ቕድሚ ባይቶ ኾይነ`የ ዝዛረብ ዘለኹ። ኸምኡ ዓይነት ስግኣት የለን።እኳ ድኣስ፡ ዘሎ ነገር፡ ናይ ምትሕብባር፡ ናብ ሰላምን ልምዓትን ምኻድ፡ ሓቢርካ ናይ ምዕባይ ዝንባለ`ዩ ዘሎ። ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ኾነ መሪሕነቱ፡ ምስ ኢትዮጵያ ኹናት ኣይደልዩን።” ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D-%E1%8B%88%E1%89%B0%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8C%A0%E1%89%95%E1%88%8B%E1%88%8A-%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%8D%8D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%B5%E1%8C%8D%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%8C%A3%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%88%88%E1%88%98%E1%8B%B0-%E1%8A%A3%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%B5%E1%89%93%E1%88%B5-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5%E1%8A%93-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8A%93%E1%89%95%E1%8D%8E-%E1%8B%AD%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%8A%A2%E1%88%89\/4736137.html"} {"headline":"ኣብ ከባቢ ሸረ ዝነበራ መካይን ሰራዊት ምክልኻል ብመንእሰያት እቲ ከባቢ ከይወጻ ምክልካለን ተገሊጹ","content":"ትማሊ ኣብ ከባቢ ሸረ ዝነበራ መካይን ምክልኻል ሰራዊት ብመንእሰያት እቲ ከባቢ ከይወፃ ብምክልኻል ኣብ ስታዲዮም ስሑል ሸረ ከምዘሕደሩወን እውን ተፈሊጡ’ሎ። ሎሚ ንጉሆ ብዝተገብረ ልዝብ ኣብ ስታዲዮም ዝሓደራ መኻይን ምርድዳእ ክሳብ ዝብፃሕ ናብ ዝነበርኦ ካምፕ ክኣትዋ ከምዝተገደዳ ሓላፊ ርክብ ህዝብን መንግስትን ወጊድ ታሕታይ ቆራሮ ኣቶ ኪሮስ ለገሰ ገሊፆም። እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ ምንቅስቃስ ሰራዊት ምክልኻል ምትዕንቃፍ ቅኑዕ ኣይኮነን ክብሉ ምክትል ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶ\/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል ትማሊ አማስይኡ ንእዋናዊ ኩነታት አመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣፍሊጦም። ነቲ ኣብ ክልልትግራይ ትማልን ቅድሚኡን ንምንቅስቃስ ሰራዊት ንምትዕንቃፍ ዝተራእየ ኣካይዳ’ዉን ኾኒኖም። ዶ\/ር ደብረፅዮን ኣብቲ መግለጺኦም እዚ ዓይነት ስጉምቲ ንሓድነት ህዝቢ ትግራይ ዝከፋፍልን ንክብሪ ሰራዊት ምክልካል ዝጥሕስን ብምኳኑ እዚ ፍጻሜ ግጉይ ስጉምቲ እዩ’ውን ኢሎም። ንሶም ብተወሳኺ እዚ እንተዘኮይኒ ግን ዘይተደልየ ሳዕቤን’ዩ ዘለዎ ድሕሪ ምባል ተሓባቢርና ክንሰርሕ አለና’ውን ኢሎም። ናይ ልምዓትን ሰናይ ምሕደራን ካልኦት ፀገማትና ክንፈትሕ እንተኾና ሰላም’ዩ ዘድልየና ዝበሉ ዶ\/ር ደብረፅዮን ኣብነት ዝበልዎዉን ጠቂሶምም። ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ’ዉን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ምስ መማህራን ኣብ ዘካየድዎ ዘተ ነዚ ኣብ ክልል ትግራይ ምክልኻል ሰራዊት ከይንቀሳቀስ ህዝቢ አጊዱ ዝብል አመልኪቱ ንዝቀረበሎም ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ ሰራዊት ምክልኻል አበይ ክሰፍር አለዎ ንምንታይ ዕላማ ክሰፈር አለዎ መዓስ ክሰፍር አለዎ ንዝብል ዝውስን ኣካል ኣሎ’ዩ፡ ምስ ዝኾነ ነገር ምትእስሳር የብሉን ድሕሪ ምባል ንጉዕዞ ምክልኻል ሓይሊ ምትዕንቃፍ ግን ጌጋ’ዩ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣምቦን ቦረናን ብመንእሰያት ደው ክብል ኣብ ዝተኸልከለሉ እዋን ንክሓልፍ ነቶም መንእሰያት ረጉፁ ከምዝሓለፈ ብምጥቃስ እዚ ክድገም የብሉን ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2-%E1%88%B8%E1%88%A8-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AB-%E1%88%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%89%A5%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A5%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2-%E1%8A%A8%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%8C%BB-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%AB%E1%88%88%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4736084.html"} {"headline":"ዶ\/ር ደብፅዮን ኣብ ጉዳይ ዝምድና ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ምስ ፕረዚደንት ኢሳያይስ ምዝታዮም ሓቢሮም","content":"ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብፅዮን ገብረሚካኤል ምስ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኢሳያይስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝምድና ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ምዝታዮም ተዛሪቦም። ንሶም እቲ ዘተ ዝተኻየደ መስመር ሑመራ ኦምሓጀር ኣብ ዝተኸፍተሉ ንበይኖም ተፈልዮም ብቋንቋ ትግርኛ ምዃኑ ገሊፆም። ብተወሳኺ ዶ\/ር ደብረጽየን ምምሕያሽ ርክብ መንግስታት ትግራይን ኤርትራን ነቲ ብደረጃ ሃገር ይካየድ ዘሎ ኩለመዳያዊ ርክብ ዘሓይል እዩ’ውን ኢሎም። ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ትማሊ ኣማስያኦም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ጉዳይ ምኽፋት መስመራት ዶብ ምስ ኤርትራ፤ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝገበርዎ ዘተን ኣብ ገለ ከባቢታት ትግራይ ምንቅስቓስ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምትዕንቓፍ ዝኹንን ሓሳባት ዘልዓልሉ ነይሩ። ኣብ ጉዳይ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ካብ ዝገበርዎ ስምምዕን ዘተን ብተወሳኺ ከም መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ምስ መራሕቲ መንግስቲ ኤርትራ ዘተ ከምዝተኻየደ ተዛሪቦም። ዶክተር ደብረፅዮን ምስ ፕረዚዳንት ኢሳያስ ክልተ ግዜ ሓፀርቲ ዘተ ከምዘካየዱ ዝገለፁ ኮይኖም ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ምኽፋት ዶብ መስመር ሑመራ ኦምሓጀር ግና ንውሕ ዝበለ ግዜ ወሲዶም ኣብ ክልቲኣዊ ዝምድና ምዝታዮም ተዛሪቦም። እቲ ዘተ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ንበይኖም ተፈልዮም ብትግርኛ ዝተኻየደ ምንባሩ’ውን ገሊፆም። ብዛዕባ ምዕፃው ዶብ ዛላምበሳ-ሰርሓ ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምዝተዘራረብሉን፡ ምስዝኾነ ካልእ ጉዳይ ከምዘይዛመድን ዶክተር ደብረፅዮን ሓቢሮም ኣለው። “ምዕፃው እቲ መስመር ስርዓት ንምትሓዝ ብምዃኑ ንኹላትና ዝጠቅም እዩ\" ኢሎም። “ህዝቢ ንህዝቢ ዝተጀመረ ርክብ ፅቡቅ እዩ ይኸይድ ኣሎ። ከም መንግስታት ድማ ናይ ክልቴና ምድልላይ ከምዘሎ ኣብቲ ዘተ ተዓዚበ” ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን “ደጊም ተመሊስና ናብ ኲናት እንኣትወሉ ምኽንያት ኣይክህሉን'ዩ” ኢሎም። ኣብ ሞንጎ መራሕቲ ዝነበረ ቂም ንግደፎ ዝብል ሓሳብ እዩ ዘለና ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን ነዚ ግና ምርድዳእ ወሳኒ ብምዃኑ ዘተ ቐፃሊ እዩ ኢሎም። ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዝግበር ኩለመዳይ ርክብ እውን ትግራይ ምስ ኤርትራ ተካይዶ ርክብ ልዑል ሓገዝ ኣለዎ ክብሉ ተዛሪቦም። እቲ ዝተኻየደ ዘተ ንእግረ መገዲ ዋላ ይኹን'ምበር ንፈለማ እዋን ዝሐሸ ግዜ ረኺቦም ኣብ ቀፃሊ ዝምድናታት ትግራይን ኤርትራን ሓቢርካ ዝዓብየሉን ጉዳያት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምዝዘተዩ ዝገለፁ ዶክተር ደብረፅዮን ንቐፃሊ ዘተ ተስማዕሚዕና ኣለና ኢሎም። እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣብ መግለፂኦም ምስ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዘሎ ርክብ ጠሚቱ እውን ተዛሪቦም እዩም። ኣብ ሞንጎ ኣመራርሓ ክልቲኣን ክልላት ዘይምርድዳእ ኣሎ እዚ ድማ ብዘተ እዩ ክፍታሕ ዝግበኦ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8D%85%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%8A%93-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AB%E1%8B%AD%E1%88%B5-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B3%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/4735627.html"} {"headline":"\"ምንቅስቃስ ሰራዊት ምክልኻል ምትዕንቃፍ ቅኑዕ ኣይኮነን\"ዶ\/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል","content":"ምንቅስቃስ ሰራዊት ምክልኻል ምትዕንቃፍ ቅኑዕ ኣይኮነን ክብሉ ምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ\/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል ሎሚ አማስይኡ ንእዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣፍሊጦም። ንናይ ሎሚ መዓልቲን ኣቐዲሙ ዝተራእየ ምዕንቃፍ ምንቅስቃስ ሰራዊት ምክልካል ኾኒኖም። ንሶም ኣብ መግለጺኦም እዚ ዓይነት ስጉምቲ ንሓድነት ህዝቢ ትግራይ ዝከፋፍልን ንክብሪ ሰራዊት ምክልካል ዝጥሕስን ብምኳኑ እዚ ፍጻሜ ግጉይ ስጉምቲ እዩ’ውን ኢሎም። ምስዚ ብዝተሓሓዝ ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህውሓት) ንሰለስተ መዓልታት ዘካየዶ ኣኼባ ዛዚሙ። እቲ ኮሚቴ ድሕሪ ኣኼባ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኢትዮጵያ ካብ ሓደጋ ንምድሓን ቃልስን ፃዕርን ኩሉ ህዝቢ የድሊ ኢሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%B5%E1%89%83%E1%88%B5-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8B%95%E1%8A%95%E1%89%83%E1%8D%8D-%E1%89%85%E1%8A%91%E1%8B%95-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8A%AE%E1%8A%90%E1%8A%95-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%8C%BD%E1%8B%A8%E1%8A%95-%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%9A%E1%8A%AB%E1%8A%A4%E1%88%8D\/4734221.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ዞባታት ደቡብ ክልል ዘልዕልዎ ሕቶታት ምምስራት ክልል ንትግባረ ኣጸጋሚ’ዩ ክብል ገዛኢ ፓርቲ’ቲ ክልል ነጺግዎ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ደቡብ ክልል ዝርከቡ ዞባታት ክልል ናይ ምዃን ድልየቶም ይውስኽ ምህላዎምን ሕቶታቶም ንቤት ምኽሪ ክልል ምቕራቦም ሕገ መንግስታዊ መሰሎም እንተኾነ እውን ኣብ 10ይ ውድባዊ ጉባኤ ገዛኢ ፓርቲ ካብ ዝተቐመጠ ኣንፈት ወፃኢ እዩ ክብል ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ደቡብ ኣፍሊጡ። መምህር ሕጊ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሃዋሳን በዓል ሞያ ሕጊ ዝኾኑ ፕሮፌሰር ተሰማ ኤሊያስ ግን እቶም ሕቶታት ሕገ መንግስታዊ መሰላት ስለዝኾኑ ብውድባዊ መርገፂ ዘይኮነስ ብሕገ መንግስቲ ክውሰኑ ኣለዎም ይብሉ። ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብክልል ይኹን ብዞባ ናይ ምውዳብ መሰል ከምዘለዎም ይገልፅ።ዝኾነ ይኹን ብሄርን ብሄረሰብን ሕቶ ክልል ኣወንታ ዝርከብ ናይቲ ሓታቲ ህዝቢ ብክልተ ሲሶ ተደጊፉ ናብ ቤት ምኽሪ ክልል ቐሪቡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ብህዝበ ውሳነ ክረጋገፅ እዩ ይብል። ነቲ ክልል የመሓድር ናይ ዘሎ ገዛኢ ፓርቲ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ማእኸላይ ኮሚቴ ኣቶ ሞገስ ባልቻ ግን ዝቐርቡ ዘለው ሕቶታት ኣጸገምቲ እዮም ይብሉ። “ኣብቲ ክልል 56 ብሄርን ብሄረሰባት ኣለው።እዞም ብሄር ብሄረሰባት ኩሉም ሕገ መንግስቲ ብዝሃቦም መሰል ኣብያተ ምኽርታቶም ክልል ክንኸውን ኢና እናበሉ እንተድኣ ወሲኖም ንኣፈፃፅማ ኣፀጋሚ እዩ።ነታ ሃገር እውን ተፅዕኖ ኣለዎ።ከም ሃገር ሓድነት ክንፈጥር ኢና ዝብል እውን ኣወዳድብኡ ምኽንያታዊ ኣይገብሮን እዩ።” ንሶም ብተወሳኺ እቶም ሕቶታት ሕገ መንግስታዊ እንተኾኑ እውን ኣብ መበል 10ይ ጉባኤ እቲ ገዛኢ ፓርቲ ካብ ዝተወሰነ ወፃኢ እዮም ኢሎም። ይኹን ደአ እምበር እቶም ሕቶታት ግን ኣብቲ ክልል ናይ ዝልዓሉ ግጭታትን ሕልፈት ህይወት ሰብን ዕንወት ንብረትን ምዝንባል ህዝብን ምኽንያት ኣብ ምዃን ይርከቡ። ሰብ ሞያ ሕጊ እቶም ሕቶታት መልሲ ክረኽቡ ዘለዎም ብሕገ መንግስቲ ክኸውን ኣለዎ ይብሉ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ሃዋሳ ሓላፊ ክፍሊ ዓውዲ ሕጊን መምህር ሕግን ሓጋዚ ፕሮፌሰር ተሰማ ኤሊያስ ሕገ መንግስቲ እቲ ብሄር ባዕሉ እዩ ዝውስን ክብል ከሎ ካልእ ጣልቃ ዝኣትው ፖለቲካ ይኹን መንግስቲ የለን ማለት እዩ ይብሉ። መንግስቲ ህፁፅ መልስን ፍታሕን ክህብ እውን እቶም ምሁር ሕጊ ተዛሪቦም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9E%E1%89%A3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%98%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8D%E1%8B%8E-%E1%88%95%E1%89%B6%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%95%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%88%A8-%E1%8A%A3%E1%8C%B8%E1%8C%8B%E1%88%9A-%E1%8B%A9-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8C%88%E1%8B%9B%E1%8A%A2-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%90%E1%8C%BA%E1%8C%8D%E1%8B%8E\/4734086.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ ሰቲት- ሑመራ ተቓውሞ ተኻይዱ","content":"ኣብ ከተማ ሰቲት ሑመራ ንርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ገዱ ኣንድኣርጋቸው ብምቕዋም ስልፊ ተኻይዱ። እቲ ሰልፊ ትማሊ መስመር ሑመራ ኦምሓጀር ኣብ ዝኽፈተሉ ዝነበረ እዋን ከምዝተኻየደ’ውን ተፈሊጡ’ሎ። ኣብዚ ጉዳይ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ምላሽ ኣይሃበን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%B0%E1%89%B2%E1%89%B5--%E1%88%91%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%88%9E-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/4734029.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ፡ ንሃገር ናይ ምልዋጥን ምዕባይን ዝረኸብናዮ ዕድል ከየምልጠና ልቦና ነሕድር ኢሎም","content":"ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ብምኽንያት በዓል ልደት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ምውላድ ክርስቶስ ክንዝክር ከለና፡ ሃገርና`ውን ንዘክር ኢሎም። “ ዝረኸብናዮ ንሃገርና ናይ ምልዋጥን ምዕባይን ዕድል ከየምልጠና ልቦና ነሕድር”። ብኻልእ ወገን፡ ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ ካብ ምልእቲ`ታ ሃገር ምስ ዝተዋጽኡ ልዕሊ ሰለስተ ሺሕ መማህራን ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን፡ ካብ ተሳተፍቲ ዝቐረበሉ ሕቶታት ክምልሱ ከለው፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መንግስቲ ሓደ`ዩ፡ ንሱ ድማ እቲ ኣነ ዝመርሖ መንግስቲ`ዩ ኢሉ። “ምእሳርን ምግራፍን ዝለመድና ሰባት፡ ንሕና ከም መንግስቲ ንዕኡ እንተገደፍናዮ ዝደኸምና ዝመስለና እንተኾይኑ ተጋጊና`ለና”። ንሰራዊት ምክልኻል ካብ ዶብ-ክልል ትግራይ ብዛዕባ ምንቅስቃስ ሕቶ ቀሪብሉም፡ “ሰራዊት ምክልኻል ኣበይን ንምንታይን ክሰፍር ከምዘለዎ ዝምልከቶ ኣካል ኣሎ” ድሕሪ ምባል፡ “ህዝቢ ክፈልጦ ዝግባእ ፈደራል መንግስቲ ንሰራዊቱ ካብ ሓደ ጫፍ ናብ ካልእ ጫፍ ናይ ምንቅስቓስ ምሉእ ስልጣን ኣለዎ፡ ናይ ዝኾነ ምኽሪ`ውን ኣይደልዮን`ዩ” ኢሎም። ቀ\/ሚ ኣብይ ብተወሳኺ፡ ምስ ኤርትራ ኣብ ጉዳያት ንግዲ፡ ኣጠቓቕማ ወደባት፡ ኣብ ጉዳይ ዶብን ካልእን ብሚኒስተራት ዝምራሕ ኮሚቴ ቆይሙ ኣብ መብዛሕቲኡ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ከምዘሎ`ውን ኣፍሊጡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8B%8B%E1%8C%A5%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%8A%B8%E1%89%A5%E1%8A%93%E1%8B%AE-%E1%8B%95%E1%8B%B5%E1%88%8D-%E1%8A%A8%E1%8B%A8%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8C%A0%E1%8A%93-%E1%88%8D%E1%89%A6%E1%8A%93-%E1%8A%90%E1%88%95%E1%8B%B5%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%88%8E%E1%88%9D\/4732524.html"} {"headline":"ኦብነግን ዲሞክራሲያዊ ምትሕብባር ሶማልን ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ኣብ ዝኣትውሉ እዋን ኣቐባብላ ተጌርሎም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ብሰላማዊ ቓልሲ ንምስታፍ ዝወሰኑ ግንባር ሓርነት ኦጋዴንን መፃምዱ ፓርቲ ዴሞክራሲያዊ ምትሕብባር ሶማልን ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።ናይ እንኳዕ ደሓን መፃእኹም መረደ ዘስምዑ ሓላፊ ቢሮ ህዝባዊ ኣገልግሎትን ምምዕባል ዓቕሚ ሰብን ኣቶ ኣቡበክር ኣዶሻ ብሓባር ንምስራሕ ፃውዒት ኣቕሪቦም ኣለው። ኣብቲ ናይ ምቕባል ስነስርዓት መደረ ዘስምዑ መራሕቲ እተን ውድባት ነበርቲ ድሬዳዋን ከባቢኡን ብዝገበረሎም ኣቀባብላ ሕጉሳት ምዃኖም ገሊፆም ኣለው። ኣቦ መንበር ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ኣድሚራል መሓመድ ዑመር ዑስማንን ናይ ሶማሊያ ክልል ዴሞክራሲያዊ ምትሕብባር ዶ\/ር ዘካሪያ መሓመድ ሓሰን ሓድነት ህዝቢ ሶማሊያ ንምሕላው ውህደት ክልቲኦም ውድባት ኣገዳሲ እዩ ኢሎም። “ሓድነት ህዝቢ ኢትዮጵያን ሓድነት ህዝቢ ሶማሊያን እዩ።ህንፀት ዴሞክራሲ ክቕፅል ኣለዎ።ዴሞክራሲያዊት ዝኾነት ኢትዮጵያ ንደልይ ኢና።” ናይ ምንፃል ድልየቶም ገዲፎምዎ እንተኾይኖም ዝተሓተቱ ኣድሚራል “መሰልካ እንተድኣ ዘይተኸቢሩ፣ፍትሕን ማዕርነትን እንድሕር ዘየለ ክትግለል ከለኻ እዩ ምንፃል ከም እንኮ መማረፂ ዝኸውን።ሓደ ኣካል ህዝቢ ኢትዮጵያ እንተኾይንኻ መሰልካ እንተድኣ ተረጋጊፁ ኣካል ኢትዮጵያ ኢኻ” ኢሎም። ንሶም ኣብዚ ሕጂ እዋን ግንባር ሓርነት ኦጋደን ወታደር ከምዘይብሉ እቶም ዝነበሩዎ ኣብ ካምፕ ክምዝርከቡን ገሊፆም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A6%E1%89%A5%E1%8A%90%E1%8C%8D%E1%8A%95-%E1%8B%B2%E1%88%9E%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%88%B2%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%A5%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8B%B5%E1%88%AC%E1%8B%B3%E1%8B%8B-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%8D%E1%88%89-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%90%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%8B-%E1%89%B0%E1%8C%8C%E1%88%AD%E1%88%8E%E1%88%9D\/4732405.html"} {"headline":"ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ጋንታታት ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ድሕሪ ሓደ ዓመት ንፈለማ እዋን ተካይዱ","content":"ድሕሪ ሓደ ዓመት ንፈለማ እዋን ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ጋንታታት ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ኣብ ከተማታት መቐለን ኣክሱምን ተኻይዱ። ኣብ ፕሪይመር ሊግ ወልዋሎ ምስ ፋሲል ባዶ ን ባዶ ክፈላለያ ከለዋ ኣብ ላዕለዋይ ሊግ ድማ ሓወልቲ ኣክሱም ንደሴ 2 ን 1 ተዓዊታ’ላ። No media source currently available ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8B%E1%8A%95%E1%89%B3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A9%E1%8B%95%E1%88%B6-%E1%8A%A5%E1%8C%8D%E1%88%AA-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8D%88%E1%88%88%E1%88%9B-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%8C%88%E1%8C%A2%E1%88%98%E1%8A%95\/4732190.html"} {"headline":"ፖሊስ ሱዳን ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዘምርሑ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ብዘንብዕ ጋዝ በቲኑ","content":"ፖሊስ ሱዳን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዘምርሑ ዝነበሩ ናይ ተቓውሞ ሰልፈኛታት ዘንብዕ ጋዝ ብምጥቃም ከምዝበተኖም ተገሊጹ። እቶም ሰልፈኛታት “ነጻነት” ን “ሰላም” ዝብል ጭርሖታት ብምስማዕ ትማሊ ሰንበት ኣብ ጎደናታት ዋና ከተማ ካርቱም ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምክያዶም ተፈሊጡ’ሎ። No media source currently available ፖሊስ መማህራን ካርቱም ዩኒቨርሲቲ ነቲ ሰልፊ ከይሕወሱ ምዕጋቱን ንቀጽሪ’ቲ ዩኒቨርሲቲ ንኣስታት ሰለስተ ሰዓታት ምኽባቡን፡ ሸሞንተ ካብኣቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ናይ ዓይኑ መሰኻክር ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሮም።ግብረ መልሲ ፖሊስ’ታ ከተማ ክረኸብ ከምዘይኸአለ ሮይተርስ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታትን ግዝኣታትን እታ ሃገር ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ክካየዱ ምጽንሖምን ሓይልታት ጸጥታ ሰልፍታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝን ጥይት ምትዃሶምን ይፍለጥ። መንግስቲ ንክልተ አባላት ሓይልታት ጸጥታ ሓዊሱ ቁጽሪ ዝሞቱ 19 ክብል ከሎ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ግን ቁጽሪ ዝሞቱ 37 እዩ ይብል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8C%BD%E1%88%95%E1%8D%88%E1%89%B5-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%91-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A9-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%88%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8A%95%E1%89%A5%E1%8B%95-%E1%8C%8B%E1%8B%9D-%E1%89%A0%E1%89%B2%E1%8A%91\/4732027.html"} {"headline":"መስመር መጓዓዝያ ምድሪ ኦምሓጀር-ሑመራ ተኸፊቱ","content":"ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ መስመር መጓዓዝያ ምድሪ ኦምሓጀር -ሑመራ ሎሚ 7 ጥሪ 2019 ብፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚንስትር ፈደራላዊ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድን ብወግዒ ተኸፊቱ። ኣብቲ ብናይ ክልቲኤን ሃገራት ሃገራዊ መዝሙር ዝተሰነየ ናይ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ፡ብወገን ኤርትራ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ፍሉይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ኣዛዚ ምዕራባዊ እዚ ብርጋደር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ በወገን ኢትዮጵያ ድማ ምክትል ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶ\/ር ደብረጽዮን ገ\/ሚካኤል፡ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ገዱ እንዳርጋቸው፡ ኢታማጆር ሹም ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ሰዓረ መኮንን ከምኡ’ውን ነበርቲ ከተማ ኦምሓጀርን ተረኺቦም ነይሮም። No media source currently available ምኽፋት መስመር ኦምሓጀር ሑመራ አካል እቲ ኣብ ሓምለ 9 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ምዃኑ ሚንስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ኣፍሊጦም ኣለው። ብተወሳኺ ምኽፋት’ቲ መስመር ኣብ ኤርትራ ብተሰነይን ገርሰት ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ብዶብ ኦምሓጀር ሑመራ ዘለው ናይ ልምዓት ፕሮጀክትታት ንምሕያል ዝዓለመ ምዃኑ ቤት ጽሕፈት ሚንስትር ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ሓቢሩ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/4731858.html"} {"headline":"ፖሊስ ከተማ ኣክሱም ኣብ ልዕሊ ሰባት ሓደጋ ከብፅሕ'ዩ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ነታጒ ምርኻቡ ኣፍሊጡ","content":"ፖሊስ ከተማ ኣክሱም ኣብ ልዕሊ ሰባት ሓደጋ ከብፅሕ'ዩ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ነታጒ ምርኻቡ ኣፍሊጡ። እቲ ነታጒ ኣብ መደቀሲ ክፍሊ ሓደ ሆቴል እታ ከተማ ከምዝተረኽበ ምኳኑ ፖሊስ ወሲኹ አረዲኡ’ሎ። እቲ ሆቴል መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ኣኼባታት ተደጋጋሚ ዝካየደሉ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።ፖሊስ እታ ከተማ እቲ ነታጒ ናይ ኢድን ፀረ ሰብን ምዃኑ’ውን ኣፍሊጡ። ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ኣክሱም ዋና ኢንስፔክተር ኣሸብር ካሳ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል እቲ ነታጒ ብብዝሒ ህዝቢ ኣብ ዝእከበሉ ሓደጋ ከብፅሕ ይኽእል እዩ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ እዩ ኢሎም። ንሶም ብቕጻል እቲ ነታጒ ዝተረኽበሉ ክፍሊ’ቲ ሆቴል ዝሓዘ ውልቀሰብ ከምዝተረኸበን ምርመራ ይካየድ ምህላው ገሊጾም።ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ነቲ ነታጒ ኣብ ቁፅፅር ክውዕል ምትሕግጋዙ’ውን ሓቢሮም ኣለው። ንከይዲ ምፅራይ ከይተዓናቐፍ ብምባል መንነት እቲ ተጠርጣሪን ሽም እቲ ዝተረኸበሉ ሆቴልን ካብ ምግላፅ ዝተቖጠቡ እቶም ኣዛዚ ፖሊስ ብቐፃሊ ግና ከይዲ ብምፅራይ ንህዝቢ ክግለፅ ምኻኑ ሓቢሮም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%A3%E1%8A%AD%E1%88%B1%E1%88%9D-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%BB%E1%8B%88%E1%8B%B0-%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%8C%92-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%8A%B8%E1%89%A0-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4727532.html"} {"headline":"ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ሓላፊ ፕረስ ቤት ጽሕፈት ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ኾይኖም ተመዚዞም","content":"እዚ ዜና ነቲ ኣቐዲሙ ዝተዘግሓ ቤልለኔ ስዩም ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ክፍሊ ፕረስ ተላዒለን ዝብል ጸብጻብ ዝእርም’ዩ። ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ቅድም ክብል ዳይረክተር ኮሚኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ዝነበሩን ኣብዚ ሕጂ እዋን ብመዝነት ምክትል ምምሕዳር ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለው ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ሓላፊ ፕረስ ቤት ፅሕፈቶም ክኾኑ ሸይሞምዎም። ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ሓላፊ ፕረስ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኮይኖም እንተሾሙ እዃ ንዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ነቲ ቤት ጽሕፈት ብሓላፍነት ክመርሓ ዝጸንሓ ቢልለኔ ስዩም ግን ካብ ሓላፊነተን ከምዘይተላዕላ ምንጭታት ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም ኣለው። ኣቐዲሙ ዝተዘግሓ ቢልለኔ ካብ መዝነተን ተላዒለን ዝብል ጸብጻብ ጌጋ ምኳኑን ንሰን ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረስ ቀዳማይ ሚንስትር ምክትል ኮይነን ኣቐዲመን ክሰርሕኦ ዝጸንሓ ስራሕ ከምዝቕጽላ እቶም ምንጭታት ወሲኾም ኣረዲኦም ኣለው። እዞም ምንጭታት መዝነት ቢልለኔ እንተዘይገለጹ እዃ መሓውራት ዜና ውሽጢ ሃገር ግን ሎሚ ሓላፊት ቋንቋታት ወጻኢን ንዲጂታል ክፍሊን ክብል ምጥቓሰን ተፈሊጡ’ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%B1-%E1%8C%A5%E1%88%8B%E1%88%81%E1%8A%95-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8A-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8C%BD%E1%88%95%E1%8D%88%E1%89%B5-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%BE%E1%8B%AD%E1%8A%96%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9A%E1%8B%9E%E1%88%9D\/4726003.html"} {"headline":"'ስፖርት ናይ ሰላምን ሓባራውንትን ምሕዝነትን መርኣያ እምበር መሳርሒ ፖለቲካ ኣይኮነን' ኣቶ ስማኸን አስረስ","content":"ስፖርት ናይ ሰላምን ሓባራውንትን ምሕዝነትን መርኣያ እምበር መሳርሒ ፖለቲካ ኣይኮነን ክብሉ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኼሽን ክልል ኣምሓራ ኣቶ ስማኸን አስረስ ገሊጾም። አቶ ስማከኝ አስረስ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ብሰንኪ’ቲ ኣብ መንጎ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ኣምሓራን ትግራይን ዝነበረ ናይ ክልቲኦም ደገፍቲ ባእሲ ኣብ ገለልተኛ ሜዳ ክጻወቱ ጸኒሖም’ዮም። ሕጂ ግን ድሕሪ ምይይጣት ኣብ ስምምዕ ስለዝተበጽሓ ጋንታ ፋሲል ከነማ ናብ መቐለ ንግጥም ክኸይድ’ዩ። ጋንታ ስሑል ሽረ’ውን ናብ ባህርዳር ክኸይድ’ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B5%E1%8D%96%E1%88%AD%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%88%93%E1%89%A3%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8A%95%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%8A%A3%E1%8B%AB-%E1%8A%A5%E1%88%9D%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%88%B3%E1%88%AD%E1%88%92-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8A%AE%E1%8A%90%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%88%B5%E1%88%9B%E1%8A%B8%E1%8A%95-%E1%8A%A0%E1%88%B5%E1%88%A8%E1%88%B5-\/4725920.html"} {"headline":"ፕረ. ዑመር ኣልበሽር ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ተቓውሞ ዝምልከት ምርመራ ክካየድ ኣዚዞም","content":"ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ኣብ ሃገሮም ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝጀመረ ተቓውሞ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ ሕጂ እዋን ነቲ ጉዳይ ዝምልከት ምርመራ ክካየድ ኣዚዞም ኣለው። ብመሰረት ሓበሬታ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን’ታ ሃገር ፕረዚደንት ኣል በሽር ንሚንስትሪ ፍትሒ’ታ ሃገር መሃመድ ኣሕመድ ሳልም ነቲ ምርመራ ክመርሑ ምምዛዞም ሓቢሮም።ዝርዝር ሓበሬታ’ታ ምርመራ ግን ኣይተወሃበን። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ 22 ፖለቲካዊ ፓርቲታትን ጉጅለታትን ፕረዚደንት ኣል በሽር ካብ መዝነቶም ክወርዱን ስልጣን ን”ነጻ ቤት ምኽሪ” ከረኽቡን መሰጋገሪ መንግስቲ ብምምዛዝ ንዲሞክራሲያዊ ምርጫ መዓልቲ ክውስን ክብሉ ጻዊዒቶም ኣቕሪቦም ኣለው። እተን ፓርቲታትን ሎሚ ረቡዕ ንፕረዚደንት ኣልበሽር ክህብዎ ኣብ ዘዳለውዎ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ “ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ኣብታ ሃገር ንዝረአ ዘሎ ምንቁልቋል ደው ንምባል ዘኽእል ቁጠባዊ መሳርሒ ከምዘይብሉ ዝፍለጥ’ዩ” ድሕሪ ምባል ”እዚ ስርዓት ምስ ዘለዎ ፖለቲካዊ፡ቁጠባዊ፡ ዞባዊን ዓለምለኸ ተነጽሎ ነዚ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ቀውሲ ክፍትሕ ኣይክእልን” ኢሎም። ብተወሳኺ‘ቲ ስርዓት መዝነቱ ምስ ዘየሰጋግር ልዑል ሳዕቤን ከምዝህልው ኣጠንቂቖም ኣለው። እተን ፖርቲታት ፖለቲካ እቲ ሓድሽ ምምሕዳር ነጻነትን ዲሞክራሲን ዘለዎን ነቲ ኣብ ምዕራባዊ ዞባታት ኩዱፋን ዳርፉርን ብሉ ናይል ዘሎ ግጭት ደው ከምዘብሎ ይገልጹ ኣለው። እቲ ናብ ፕረ. ኣልበሽር ዝተላእከ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ትማሊ ሶሉስ ንጋዜጠኛታት ዝተነበበ እንተኾነ ካብ መንግስቲ ግን ክሳብ ሕጂ ምላሽ ኣይረኸበን። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ኣብ ሱዳን ብዝተላዕለ ተቃውሞ ሰበ ስልጣን’ታ ሃገር 19 ሰባት ምሟቶም ክገልጹ ከለው ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ግን ቁጽሪ ዝሞቱ 37 ክበጽሕ ከምዝኽእል ይገልጹ ኣለው። No media source currently available ፕረዚደንት ዑመር ኣል በሽር ንዝኽሪ መበል 63 ዓመት ነጻነት ሱዳን ብዝምልከት ብሶኑይ ኣብ ዝሃብዎ መደረ ኣብ መጻኢ ዝሓሸ ጊዜ ከምዘሎ ብምግላጽ “ ግሉጽነት ውጽኢታዊንትን ፍትሒ ኣብ ኩለን ሃገራዊ አካላት ክህልው’ዩ” ክብሉ ቃል ኣትዮም ኣለው። ንሶም ብተወሳኺ ናይ 2019 ባጀት ወሰኽ ደሞዝ ሓገዝ መንግስቲ ኣብ ምርግጋእ ዋጋታት ሓድሽ ናይ ቀረጽ ታሪፍ ካብ ምትእትታው ከምዝቑጠብ ገሊጾም ኣለው። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሻምሕ ሻኮሪን ሓላፊ ጸጥታ ግብጺ ጀነራል አባስ ካማል ምስ ፕረዚደንት ዑመር ኣል በሽር ንምዝርራብን ብሓሙስ ካርቱም ምእታዎም ይፍለጥ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8B%91%E1%88%98%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%89%A0%E1%88%BD%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%8A%A0-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%88%9E-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8A%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%9A%E1%8B%9E%E1%88%9D\/4725742.html"} {"headline":"ኣብ ፋጺ ዝነበረ ሰራዊት ብካልእ ሓይሊ ክሳብ ዝትካእ ከምዘይንቀሳቀስ ተገሊጹ","content":"ከበድቲ መሳርሒ ኩናት ካብ ዛላንበሳ ከባቢ ፋፂ ብናይ ፅዕነት መካይን ናብ ካልእ ቦታ ንምዝውዋር ትማሊዝተገበረ ምንቅስቃስ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ መብርሂ ንደሊ ኢና ኢሉ ምዕጋቱ ይዘከር። ነቲ ሰራዊት ዝትክእ ካልእ ሰራዊት ክሳብ ዝመፅእ ካብቲ ከባቢ ከምዘይንቀሳቐስ ኣመራርሓ መበል 21 ክፍለ ሰራዊት እዚ ሰሜን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ምስ ሕብረተሰብ ከባቢ’ ቲ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ምግላጾም ተሓቢሩ። ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተኻየደ ኲናት ዶብ ስዒቡ ንቡዝሕ ዓመታት አብ ከባቢ ዛላንበሳ ዝፀንሐ ከበድቲ ኣፅዋር ኲናት ፅዒነን ንምውሰድ ናብ ከባቢ ፋፂ ዝተንቀሰቐሰ ኣስታት 20 መካይን ፅዕነት ናይቲ ካበቢ ሕብረተሰብ መንገዲ ብምዕፃው ካብቲ ከባቢ ከይንቀሳቐሰ ምግባሩ ትማሊ ፀብፃብ ምቕራብና ይዝከር። ሎሚ መዓልቲ ድማ ኣመራርሓ መበል 21 ክፍለ ሰራዊት እዚ ሰሜን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ምስ ህዝቢ እቲ ከባቢ ዘትዮም። ኣብቲ ዘተ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርተራን ዝተፈጠረ ሰላም ስዒቡ ዝተኸፈቱ መስመራት ዛላምበሳን ራማን ብወገን መንግሰቲ ኤርትራ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ብምዕፃዉ ስዒቡ ዝፋጠረሎም ስግኣት ነበርቲ ገሊፆም እዮም። ሓላፊ ቤት ፀሕፈት ፀጥታን ምምሕዳርን ወረደ ጉሎ መኸዳ ኣይተ ግርማይ ሓዱሽ ህዝቢ ዘልዓሎ ሕቶ ስዒቡ ኣመራርሓ እቲ ሰራዊት ምክልኻል ንህዝቢ ክበሃል እቲ ሓይሊ ዝትክእ ካልእ ሰራዊት ክሳብ ዝመፅእ ኣብ ቦትኡ ክፀንሕ ምውሳኖም እዮም ተዛሪቦም። ኣይተ ግርማይ ከምዝገለፅዎ ሓዱሽ ዝትካእ ሰራዊት ሎሚ መዓልቲ ኣማስዩ ናብቲ ከባቢ ክኣቱ እዩ ኢሎም። ድሕንነት እቲ ህዝቢ ውሕስና ዝህብ ሰራዊት ከምዝትካእ ተገሊፁ ኢሎም። ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ኣይተፀጋይ ኣሰፋ ዝተብሃሉ ነባሪ እቲ ከባቢ ተተካኢ ሓይሊ ክሳብ ዝመፅእ እቲ ሰራዊት ከምዘይለዓል ተረዳዲእና ኢና ኮይኑ ግና እቲ ዝመፅእ ሓይሊ ብዓይነት ኣፅዋር ኮነ በዝሒ ምስቲ ዝለዓል ሓይሊ ዝመጣጠን ክኸውን ከምዝግባእ ሓቢርና ኢና ኢሎም። እቲ ዘተ ብሰላማዊ መንገዲ ከምዝተዛዘመ ድማ ተገሊፁ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8D%8B%E1%8C%BA-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A5-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%8A%AD%E1%88%B3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%8A%A5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8A%95%E1%89%80%E1%88%B3%E1%89%80%E1%88%B5-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4724343.html"} {"headline":"ማልታ 249 ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ምድሓና ትገልጽ","content":"ሓይልታት ማልታ 249 ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ 24 ምድሓኖም ኣፍሊጦም እቶም ስደተኛታት ብክልተ ናይ ህይወት ኣድሕን ስርሒት ትማሊ ሶኑይ ምድሓኖም'ውን ተሓቢሩ'ሎ። ነቲ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ዘካየዱ ሓይልታት ማልታ ድሕሪ ነዊሕ ኣዋርሕ ብዝሒ ስደተኛታት ዝደሓንሉ ስርሒት ምዃኑ ሓቢሮም ኣለው። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ 49 ብክልተ ዘይመንግስታዊ መራኽብ ዝደሓኑ ስደተኛታት ማልታን ኢጣልያን ክቕበልኦም ፍቓደኛታት ብዘይምዃነን ንመዓልታት ኣብ ባሕሪ ክጸንሑ ተገዲዶም ኣለው። ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ኩነታት ኣየርን ባሕሪ ከይተቐየረ እቶም ስደተኛታት ናብ ውሕስ ቦታ ክውሰዱ ጻውዒቱ ኣቕሪቡ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9B%E1%88%8D%E1%89%B3-249-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8D%E1%88%BD%E1%8C%A2-24-%E1%88%B0%E1%8B%93%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%93%E1%8A%93-%E1%89%B5%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%BD\/4724320.html"} {"headline":"ኤርትራ ንመስመር ቡሬ-ዓሰብ ከምዝነበሮ ክፉት ገዲፋቶ","content":"ኤርትራ ንመስመር መእተዊ ቡሬ-ዓሰብ ኽፉት ከምዝገደፈቶ ነበርቲ ቡሬ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም። ከም ሓበረታ ነበርቲ ቡረ ኤርትራ ንመስመር ዛላምበሳ-ሰርሓን፡ ራማ-ክሳድ ዒቃን ብምዕጻው መእተዊ ፍቓድ ክትሓትት ከላ፡ እቲ መጀመርያ ዝተኸፈተ መስመር ቡረ-ዓሰብ ግን ከም ቀደሙ ምሉእ ንምሉእ ክፉት ኮይኑ ቀጺሉ`ሎ። ካብ ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ሓበረታ ምርካብ ኣይተኻእለን ፡ ነገር ግን ኣብ ጃፓን ኣምባሳደር ኤርትራ፡ ብትዊተር ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ ናብ ኤርትራ ዝኣትዉ ዘይ-ዜጋታት ቪዛ ይሕተቱ ኣለዉ`ምበር (ዶብ ከምዝተዓጽወ ኣምሲልካ) ነገራት ምጥምዛዝን ንሰብ ምድንጋርን ይተረፍ ክብል ሓቢሩ። ሰብ-ስልጣን ኢትዮጵያ ብወገኖም፡ ብዛዕባ ኣብ ዶባት ደረት ምግባር ዝፈልጥዎ ሓበረታ ከም ዘይብሎም`ዮም ዝገልጹ ዘለዉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AD-%E1%89%A1%E1%88%AC-%E1%8B%93%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AE-%E1%8A%AD%E1%8D%89%E1%89%B5-%E1%8C%88%E1%8B%B2%E1%8D%8B%E1%89%B6\/4723337.html"} {"headline":"ነበርቲ ምዕራብ ወለጋ ወታሃደራት መንግስቲ ሓሙሽተ ሰባት ቀቲሎም ክብሉ ይኸሱ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ጉሊሶ ወታሃደራት መንግስቲ ሓሙሽተ ሰባት ቀቲሎም ካልኦት ሒደት ኸአ አቁሲሎም ክብሉ ስድራ ነበርቲ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም። ብካልእ ወገን ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ህዝብታት ኣብ ተፒ ዝነበረ ጎንጺ ሃዲኡ ስሩዕ መነባብሮ ከምዝተጀመረ ምምሕዳር’ቲ ዞባ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዓርቢ ኣብ ወረዳ ጉረሶ ቀበሌ ኩርሬሳ እቲ ቅትለት ከምዝተፈጸመ ሽሞም ከይግለጽ ዝሕተቱ ውልቀሰባት ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8C%8B-%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%88%93%E1%88%99%E1%88%BD%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%89%B2%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8B%AD%E1%8A%B8%E1%88%B1\/4723305.html"} {"headline":"መራሕቲ ተቓወምቲ ፓርቲታት ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ዝጀመረ ለውጢ ክዕወት ተሳትፎ ኩሉ የድልይ ክብሉ ጸዊዖም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ለውጢ ንክዕወት ኩሉ ተርኡ ክፃወት ከምዘለዎ መራሕቲ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ይዛረቡ።ንድሕሪት ንምምላስ ምፍታን ግን እታ ሃገር ናብ ሕድ ሕድ ኲናት ክወስዳ ይኽእል እዩ ክብሉ’ ውን ኣተሓሳሲቦም። ፍሉጣት መራሕቲ ተቓውሚ ፓርትታት ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ እታ ሃገር ገጢሞምዋ ዘለ ፈተናታት ዘተሓሳስቡ እዮም ኢሎም።ምንጭታት ናይዞም ፈተናታት ኣብ ውሽጢ ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግ ነቲ ለውጢ ምሉእ ብምሉእ ዘይተቐበሉ ሓይልታት ምህላዎምን ኣብቶም ዝሓለፉ 27 ዓመታት ዝተዋህለሉ ሽግራት እዮም ኢሎም። ኣብታ ሃገር ይርኣዩ ዘለው ግጭታትን ምምዝባላትን ካልኦት ሽግራትን ናይቶም ፈተናታት መግለፂ እዮም ኢሎም።ኣቦ መንበር መድረክ ዶ\/ር መረራ ጉዲና ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ዘሎ ለውጢ ብጥንቃቐ ክምራሕ ኣለዎም ኢሎም። “ለውጢ ስለዝደለኻዮን ብገለ ሰናይ ድልየትን ጥራሕ እናርኣኻ ዘይኮነስ ህዝቢ ብሰፊሑ እናሳተፍካ ንህዝቢ ዘእምን ለውጢ እውን እናወሰድካ እንተድኣ ዘይተጓዒዝካ ንቕልበሳ ክፉት እዩ ንቕድሚት ንስጓም እውን ክፉት እዩ።ኢትዮጵያ ኣብዚ መስቀለኛ መንገዲ እያ ትርከብ።” እቲ ሓደጋ ህውሓት ሓዊሱ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት እታ ሃገር ናብዘይድሊ ሓደጋ ከይትኸይድ ሃዲኦም ክመርሑ ኣለዎም ኢሎም። “ስለዚ ሕዚ ዘሎ መንግስቲ ብፀጋም በየማን ብድሕሪት ብቕድሚት እናተጎተተ ኣብ መንጎ እዚ ናይ ለውጢ ሓይልታት ድማ ክናበቡ ኣብዝኽእልሉ ደረጃ ኣይኮኑን ዝርከቡ።” ንድሕሪት ንምለስ ኢና ዝብሉ ሓይልታት እውን እታ ሃገር ናብ ሕድ ሕድ ኲናት ከእትውዋ ተዘይኮይኖም ነቲ ለውጢ ንድሕሪት ክመልሱዎ ኣይክእሉን ኢሎም። ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ተመሳሳሊ ኣመለኻኽታ የለን ዝበሉ ኣቦ መንበር ኣርበኞች ግንቦት ሸውዓተ ዶ\/ር ብርሃኑ ነጋ እቲ ለውጢ ብናይ ህዝቢ ቓልሲን ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ዝነበሩ ደለይቲ ለውጥን ምምፅኡ ብምሕባር ከምዚ ኢሎም። “እዚ ለውጢ እዚ ንብዙሓት ሚሊዮናት ተስፋ ክኸውን ከሎ ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ዝነበሩ ዘይግብኦም ስልጣንን ሃብትን ይረኽቡ ዝነበሩ ብዙሓት ኣለው።እዚኦም ከምቲ ካልእ ህዝቢ ነዚ ለውጢ ብድልየት ክድግፉዎ እዮም ማለት ኣይኮነን።” ዶ\/ር ብርሃኑ ነጋ ብምውሳኽ ስለዚ ግጭትን ዘይምርድዳእን ምህላው ብዚሕ ዘደንቕ ኣይኮነን ኢሎም።እቲ ለውጢ ግብራዊ ከይኸውን ኣብ መንግስታዊ መሓውራት ዕንቅፋት ኣሎ እዩ ኢሎም ።ስለዚ ነዚ ለውጢ ቐልቢስካ ናብ ሕድ ሕድ ኲናት ክእቶ እንተዘይኮይኑ ሰላም ኣይመፅእን ኢሎም ። ክልቲኦም መራሕቲ ናብ ቅድሚት እምበር ናብ ድሕሪ ምምላስ ኣይክኣልን ኢሎም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%88%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%8C%80%E1%88%98%E1%88%A8-%E1%88%88%E1%8B%8D%E1%8C%A2-%E1%8A%AD%E1%8B%95%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%88%B3%E1%89%B5%E1%8D%8E-%E1%8A%A9%E1%88%89-%E1%8B%A8%E1%8B%B5%E1%88%8D%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%96%E1%88%9D\/4723246.html"} {"headline":"ኣብ ከባቢ ከተማ ፋፂ ኣጽዋር ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ምልዓል ዝተኻየደ ፈተነ ብተቓውሞ ህዝቢ ደው ምባሉ ተገሊጹ","content":"ካብ ከተማ ዛላንበሳ ንደቡብ ሸነኽ ኣብ ከባቢ ከተማ ፋፂ ዘሎ ከበድቲ ኣፅዋራት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ናብ ካልእ ቦታ ንምውሳድ ዝመፃ ናይ ጽዕነት መካይን፡ ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ፡ብዛዕባ እቲ ጉዳይ መብርሂ ንደሊ ኢና ብምባሉ እቲ ተግባር ምግዕዓዝ ኣጽዋር ከምዝተቛረጸ ምምሕዳር ወረዳ ጉለመኸዳ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ። ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ጸጥታን ምምሕዳርን ወረዳ ጉሎመኸዳ ኣቶ ግርማይ ሓዲሽ፡ ምስ ህዝቢ ምርድዳእ ብምግባር እቲ ትልሚ ሰራዊት ምክልኻል ክፍጸም ምዃኑ ሓቢሩ`ሎ። ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ወረዳ ጉሎመኸዳ ኣስታት 20 ዝኾና ዓበይቲ መካይን ፅዕነት ናብቲ ከባቢ ሎሚ ምምፀአን ነበርቲ እቲ ከባቢ ይዛረቡ። እተን መካይን ከበድቲ ኣፅዋር ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ፂዒነን ክወፃ እየን ብምባል ህዝቢ ኣብ ከተማ ፋፂ ነተን መካይን ከይሓልፋ ከምዝዓገተን እዩ ተገሊፁ። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፀጥታን ምምሕደርን ወረዳ ጉለመኻዳ ኣይተ ግርማይ \"ህዝቢ መብርሂ እዩ ዝሓትት ዘሎ\" ኢሎም። \"ሎምቕነ ብምዕፃው ዶብ ዘላንበሳ ህዝቢ ስግኣት ከምዝሓደሮን ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣጋጢሙ ከሎ ሰራዊት ምክልኻል ምልዓሉ ኣይተረደአናን ምኽንያቱ እንታይ እዩ?\" ዝብል ሕቶ ብነበርቲ እቲ ኸባቢ ቐሪቡ ኢሎም። ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል እውን ንሕቶ እቲ ህዝቢ ተቐቢሎም ክሳብ መብርሂ ዝወሃብ ነቲ ምንቅስቓስ ደው ኢሉ ኢሎም። ፅባሕ ሰራዊት ምክልኻል ምስ ህዝቢ ዘተ ከካየድ ኢዩ ክብሉ ተዛሪቦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8D%8B%E1%8C%BA-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8C%BD%E1%8B%8B%E1%88%AD-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B0-%E1%8D%88%E1%89%B0%E1%8A%90-%E1%89%A5%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%88%9E-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%89-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4723113.html"} {"headline":"ሱዳን: ፕረ. በሺር ክወርድ ዝጠልብ ዳግማይ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ጻውዒት ቐሪቡ","content":"ሓደ ናጻ ማሕበር ሞያውያን ሱዳን ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ክወርድ ዝጠልብ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ፕረዚደንታዊ ህንጻ ክካየድ ጻውዒት ኣቕሪቡ። እቲ ማሕበር ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሱዳን ካብ ስልጣን ክወርድ ዝጠልብ ተቓውሞ ዘቕርብ ዘሎ ንካልኣይ ግዜኡ እዩ። ዝሓለፈ ግዜ ኣብ መዓልቲ ልደት ብዝጸውዖ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ሞንጎ ፖሊስን ሰልፈኛታት ተቓወምትን ኣብ ከባቢ ፕረዚደንታዊ ፓላስ ግጭት ምክያዱ ይዝከር። ኣብቲ ግጭት ፖሊስ ሱዳን ዘንብዕ ጋዝን ኣባትር ተጠቒሙ ናብ ፕረዚደንታዊ ፓላስ ሱዳን ንዘምርሑ ሰልፈኛታት ምብታኑ ድማ ተሓቢሩ። እዚ እቲ ማሕበር ዝጸውዖ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ሎሚ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ክጸንሕን ካብ ካርቱም ወጻኢ ድማ ህዝቢ ኣብ ጎደናታት ሰልፊ ከካይድን ሓቲቱ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%89%A0%E1%88%BA%E1%88%AD-%E1%8A%AD%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%8B%B5-%E1%8B%9D%E1%8C%A0%E1%88%8D%E1%89%A5-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A3%E1%8B%AD-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%88%9E-%E1%8C%BB%E1%8B%8D%E1%8B%92%E1%89%B5-%E1%89%90%E1%88%AA%E1%89%A1\/4722910.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ዝተላዕለ ግጭት 4 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ወረዳ ኣማሮን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ጉጂ ወረዳ ሱሮ ባርጉዳን ብዘሎ ጎንፂ ኣርባዕተ ሰባት ምሟቶም ምምሕዳር ወረዳ ኣማሮ ኣፍሊጡ። ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ወረዳታት ዲባጠምቡለን ሰባት ተቐቲሎምና ብዘይኣገባብ ተኣሲሮምና ክብሉ ነበርቲ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም። ብኻልእ ዜና ምንቅስቓስ ሓርነት ሲዳማ ዝለዓለ መስዋእትነት ዝተኸፍሎ ለውጢ ንምትዕንቅፋ ዝካየድ ፀረ ለውጢ ምንቅስቓስ እቃወም እየ ክብል ኣፍሊጡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-4-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D-\/4720229.html"} {"headline":"35 ኢትዮጵያዊያን ጉጅለ ሓካይም ናይ ሰናይ-ፍቓድ ኣገልግሎት ሕክምና ንምሃብ ናብ ኤርትራ ከይዶም","content":"35 ዶክተራት ጠቕላላ ሕክምናን ኣርባዕተ ስፐሻሊስትን ዝሓዘ ጉጅለ ሓካይም ኣብ ኤርትራ ናይ ሰናይ-ፍቓድ ኣገልግሎት ሕክምና ንምሃብ ሎሚ ናብ ኣስመራ ከምዝኸደ ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ሚንስተር ዴአታ ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ\/ር ሊያ ታደሰ ንመንግስታዊ ሚድያ-ፋና ኣብ ዝሃብኦ መግለጺ፡ ናይቶም ሓካይም ጉዕዞ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዝምድና ኣብ ምሕያል ልዑል ኣበርኽቶ ከምዝህልዎ ብምግላጽ፡ ኣብ ቀጻሊ`ውን ኣብ ካልኦት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ተመሳሳሊ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብምሕያል ከምዝቕጽል ኣፍሊጠን፡፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ንኽልተ-ኣዋርሕ ዝጸንሕ ጉጅለ ሓካይም፡ ብሞያኦም ህዝቢ ብምግልጋል፡ ናይ ልምዲ ልውውጥ ብምግባር፡ ኣብ ምትእስሳር ህዝብታት ዝጽበዮም ሓላፍነት ከምዝፍጽሙ እተን ሚንስተር ዲአታ ምግላጸን ፋና ሓቢሩ`ሎ። እቲ ናይ ሰናይ-ፍቓድ ኣገልግሎት ሕክምና ዝህብ ጉጅለ፡35 ጠቕላላ ሓካይምን፡ ኣርባዕተ ስፐሻሊስትን ዝሓዘ ምዃኑ ተገሊጹ`ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%88%93%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%88%9D-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%B0%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8D%8D%E1%89%93%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%8A%93-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%83%E1%89%A5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8A%A0%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A8%E1%8B%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D\/4719977.html"} {"headline":"ኢማራት ዓረብ ኤምባሲኣ ዳግም ኣብ ሶርያ ከፊታ","content":"ሕቡራት ዓረብ ኢማራትስ ድሕሪ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ሶርያ ዝነበረ ኤምባሲኣ ትማሊ ሓሙስ ዳግማይ ከፊታቶ። ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ዳግመ ምኽፋት ኤምባሲ ሕቡራት ዓረብ ኢማራትስ ቻርዠ ደ ኣፌርስ’ታ ሃገር ኣብ ሶርያ ዓብደልሃኪም ኒያሚ ተረኺቦም ባንዴራ ሃገሮም ኣብ ከተማ ደማስቆ ከተንበልብል ተዓዚቦም። No media source currently available እዚ ስጉምቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብወታሃደራዊ ምትሕብባር ሩስያን ኢራንን ዓወት ዘመዝግብ ዘሎ መራሒ ሶርያ ዘበራትዕ’ዩ ተባሂሉ’ሎ። ብተወሳኺ ዳግማይ ምኽፋት’ቲ ኤምባሲ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ባሻር ኣል ኣሳድን ተጻባእቲ ሃገራት ዓረብ ዝነበረ ዝምድና ምምሕያሹ ዘርእይ’ዩ ይብሉ። ኣቐዲሙ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ታሕሳስ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ድሕሪ ኹናት ሓድሕድ’ታ ሃገር ፈለማ ናብታ ሃገር ዝበጽሑ መራሒ ናይ ዓረብ ሃገር ብምዃን ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ምክያዶም ይፍለጥ። ሕቡራት ዓረብ ኢማራትስ ንነዊሕ እዋን ነቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሰሜናዊ ምምሕዳር ኢድሊብ ጥራይ ተሓጺሩ ዝርኸብ ተቓወምቲ ሶርያ ክትድግፍ ምጽንሓ'ውን ይፍለጥ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95%E1%89%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%88%9B%E1%88%AB%E1%89%B5%E1%88%B5-%E1%8A%A4%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B2%E1%8A%A3-%E1%8B%B3%E1%8C%8D%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B6%E1%88%AD%E1%8B%AB-%E1%8A%A8%E1%8D%8A%E1%89%B3\/4719932.html"} {"headline":"ኮ\/ል ደመቀ ዘውደ፡ ወ\/ሮ ከርያ ኢብራሂም ናይ ሕወሓት ሓላፍነትን ግዴታን ንምፍጻም`የን ኣብ ቤት-ምኽሪ ፈደረሽን ዘለዋ ይብል","content":"ኣፈ-ጉባኤ ቤት-ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ወ\/ሮ ከርያ ኢብራሂም፡ ህዝቢ ኣምሓራ ናይ መንነት ሕቶ የብሉን ምባለን፡ እቲ ቤት-ምኽሪ ብሕወሓት ይምራሕ ምህላዉ ዘርኢ`ዩ ክብል ኣቦ-መንበር ኮሚቴ ሕቶ መንነት ወልቃይት ኮ\/ል ደመቀ ዘውደ ከሲሱ። እቲ ኮ\/ል ነዚ ዝበለ፡ ኣባል- ፈጻሚ ስራሕ ሕወሓትን ኣፈ-ጉባኤ ቤት-ምኽሪ ፈደረሽንን ወ\/ሮ ከርያ ኢብራሂም፡ ለንቅነ ኣብ ኣዳማ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ-ዘተ፡ ብኽልል ኣምሓራ ኣፍልጦ ዝረኸበ ናይ መንነት ሕቶ የለን ድሕሪ ምባላ`ዩ። ኮ\/ል ደመቀ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ድማ፡ ምሉእ ኢትዮጵያ ዝፈልጦ ሕቶ መንነት ኣምሓራ ንምዕፋን ዝግበር ስራሕ`ዩ ይብል። “ወ\/ሮ ከርያ ኣብ ፈደረሽን ዝተቐመጣ ንሕግን ደምብን ፈደረሽን ዘይኮናስ ንሕወሓት`የን፡ ንሕና ንሕወሓት እናኸሰስና፡ በዓልቲ ስልጣን ሕወሓት ኮይነን ፍታሕ ከምጽኣልናን ክዳንያናን ኣይንሓስብን።” ምሉእ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AE-%E1%88%8D-%E1%8B%B0%E1%88%98%E1%89%80-%E1%8B%98%E1%8B%8D%E1%8B%B0-%E1%8B%88-%E1%88%AE-%E1%8A%A8%E1%88%AD%E1%8B%AB-%E1%8A%A2%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%88%82%E1%88%9D-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%95%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8D%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8C%8D%E1%8B%B4%E1%89%B3%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%8C%BB%E1%88%9D-%E1%8B%A8%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%A8%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8B-%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%8D\/4719860.html"} {"headline":"መቐለ፡ አባይቶም ዝፈረሶም ወነንቲ ዘቕረብዎ መረረን ምላሽ ምምሕዳር’ቲ ከባቢ","content":"ኣብ ከተማ መቐለ ምድረ ገነት ተባሂሉ ዝፍለጥ ከባቢ ዝርከቡ ወነንቲ ኣባይቲ መንግስቲ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመታት ሕጋዊ ኣይኮነን ኢሉ አባይቶም ከምዘፍረሰሎም ክሳብ ሐዚ መፍትሒ ኣይረኸብናን ብምባል ይሓቱ ኣለዉ። እቶም ወነንቲ አባይቲ ናብ መንግስቲ ጥርዓን እንተቕረቡ’ዃ ምላሽ ክረክቡ ከምዘይከአሉ ብምግላጽ ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ዝፈረሰ ገዝኦም ኣሰሩ ንምጥፋእ ብዶዘር ይፅረግ ምህላዉ ቅሬታ የቕርቡ ኣለዉ። ምምሕዳር ክፍለ ከተማ ሓድነት ከተማ መቐለ ብወገኑ እቶም ኣባይቲ ዝፈረሱ ዘይሕጋውያን ብምዃኖም እዮም ኢሉ። No media source currently available እቲ ቦታ ናብ ኢድ መግስቲ ዝኣተወ ብምዃኑ ብምኽንያት ልምዓት ንዝፈናቐሉ ንምዕዳል ኢና ነፅርዮ ዘለና ኢሎም። ኣይተ ህንፃ ኣማረ ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ሓድነት ምድረ ገነት ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ኣብ 1994 ዓ.ም ገዛ ዓዲጎም ንትሸዓተ ዓመታት ከምዝነበርሉ ይዛረቡ። ንሶም ነቲ መሬት ኣብቲ እዋን እቲ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ወረዳ እንደርታ ይመሓደር ስለዝነበረ ካብ ሓረስቶት’ቲ ከባቢ ምዕዳጎምን ካብ ኣማሓደርቲ ጣብያ ድማ መረዳእታ ረኪቦም ይነብርሉ ምንባሮም ይገልፁ :: \"ብድሕሪኡ ድማ እቲ ቦታ ሕጋዊ ኣይኮነን ብምባል መንግስቲ ኣብ 2003 ዓ.ም ግበረ ሓይሊ ኣዋፊሩ ብሓይሊ ኣፍሪስዎ\" ይብሉ። ኣይተ ህንጻ ኣብቲ ከባቢ 227 ኣባይቲ ምፍራሱ ይዛረቡ። እቶም ወነንቲ ኣባይቲ ድማ መዕረፊ ሲኢኖም ይከላበቱ ኣለው ይብሉ። \"እዚ ቦታ መንግስቲ ንሓረስቶት ካሕሳ ከይከፈለ ንዓና እውን ለውጢ ቦታ ከይሃበ ናይ መን ቦታ እዩ ሒዙ ዘሎ።” ካልኦት ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም መረረ ዘስምዑ ወነንቲ ኣባይቲ ብወገኖም \"መንግስቲ ንትሸዓተ ዓመታት ዝነበርናሉ ቦታ ሕጋዊ ተዘይኮይኑ መጀመርትኡ ብዙሓት ኣባይቲ ክህነጹ ንምንታይ ሱቕ ኢሉ ይርእይ ካብ መሰረቱ ንምንታይ ኣይተቖፃፀሮን\" ይብሉ። ብተደጋጋሚ መፍትሒ ንምርካብ ካብ ጣብያ ክሳብ ክልል ንዘለዉ ኣመራርሓ ቅሬታኦም እንተተቕረቡ ዘዕግብ ምላሽ ዘከምዘይረኸቡ እቶም ወነንቲ አባይቲ ወሲኾም የረድኡ። ወይዘሮ ሙሉ እምባየ ወናኒት ገዛ \"መንግስቲ ምላሽ ክህበና እናሓተትና እናሃለና ዝፈረሰ ኣባይትና ኣሰሩ ንምጥፋእ ብዶዝር ይፅረግ ኣሎ\" ኢለን። ኣይተ ገብረስላሴ ንጉስ ዝተባህሉ ካልእ ወናኒ ገዛ \"መንግሰቲ ብቕልጡፍ ምላሽ እተዘይሂቡና ኣብቲ ዝፈረሰ ገዛና ዋላ ቴንዳ ዘርጊሕና ክንነብር ኢና\" ክብሉ መረረቶም የስምዑ። ኣማሓዳሪ ክፍለ ከተማ ሓድነት ከተማ መቐለ ኣይተ ገብረ ታፈረ ሕጋዊ ኣይኮኑን ተባሂሎም ቅድሚ ትሸዓተ ዓመታት ዝፈረሱ ኣባይቲ ኣብ ገጠር ምምሕዳር ዝነበሩ ናብ ከተማ ምምሕዳር ንምእታው ተባሂሉ ኣብ ዝተገበረ ምፅራይ ዘይሕጋዊ ኮይኖም ዝተረኸቡ እዮም ብምባል ይገልፁ። \"ብመሰረት እዚ ሕጋዊ ዘይኮኑ ኣባይቲ ብምፍረስ እቲ ቦታ ናብ ሊዝ ክኣቱ ተገይሩ\" ኢሎም:: ንሶም ብተወሳኺ እቲ ቦታ ናይ መንግስቲ ብምዃኑ ብምኽንያት ልምዓት ካብ መነባብር ኦም ንዝተመዛበሉ ካልኦት ሰባት ንምዕዳል ብዶዘር ንፀርጎ ኣለና ኢሎም። ትሸዓተ ዓመታት ምሉእ ዝነበርሉ ቦታ ዘይሕጋዊ ምኻኑ ቀዲሙ ንምንታይ ዘይተነገሮም ገና ኣብ መሰረት እናሃለወ እወን ከቋርፅዎ ንምንታይ ዘይተገበረ ዝብል ንኣይተ ገብረ ዝቐረበ ሕቶ ክምልሱ ከለው \" እቶም ኣባይቲ ክፈርሱ ኣብ ዝተገበረሉ እዋን ኣብ ዘይሕጋዊ ቦታ ንብዙሕ ዓመታት ሰብ እናነበረሉ ሱቕ ክበሃል ኣይግባእን ነይሩ ብምባል ፀገም ኣፈፃፅማ ኣመራርሓ ከምዝነበረ ተኣሚኑ ሽዑ መንግስቲ ስጉምቲ ወሲዱ\" ኢሎም። ኣይተ ገብረ ሓቐኛ ሰነድ መረዳእታ ኣለና ኢሎም ንዝኣምኑ ወነንቲ ኣባይቲ ብሕጋዊ መንገዲ ብቤት ፍርዲ ክካትዑ ይኽእሉ እዮም ኢሎም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8D%88%E1%88%A8%E1%88%B6%E1%88%9D-%E1%8B%88%E1%8A%90%E1%8A%95%E1%89%B2-%E1%8B%98%E1%89%95%E1%88%A8%E1%89%A5%E1%8B%8E-%E1%88%98%E1%88%A8%E1%88%A8%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%BD-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2\/4719827.html"} {"headline":"ሓለውቲ ዶብ ኤርትራ፡ ካብ ኢትዮጵያ ንዝመጹ ንምሕላፍ “ናይ ፈደራል ወረቐት” ከምዝሓቱ ነበርቲ ዛላምበሳ ንቪኦኤ ሓቢሮም","content":"ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ክልተ ነበርቲ ዛላምበሳ፡ እቶም ኤርትራውያን ሓለውቲ፡ ናይ ፈደራል ወረቐት ከምዝሓቱን፡ እዚ ሕቶ`ዚ ሓዲሽ ሕቶ ስለዝኾነ፡ ናይ ፈደራል ወረቐት እንታይ ማለት`ዩ ዝብል ሕቶ ምስ ኣቕረብናሎም ግን ተወሳኺ መምርሒ ኣይረኸብናንን ኢሎም ከምዝመለሽሎም ይገልጹ። ንኤርትራውያን`ውን ክሳብ ኢትዮጵያ ዘብጽሕ ወረቐት ፍቓድ ከምዝሓትዎም ዝገለጹ`ቶም ነበርቲ፡ ንምልውዋጥ ዕዳጋ ብዝምልከት ግን ንመካይን ይከልከል`ምበር ሕጂ`ውን ኣብ ሓውሲ-ከተማ-ሰርሓ ብካሮሳን ወይ ዓረብያን ካልእ ብሰብ ዝድፋእን ኣገባብ ተጠቒምካ እቲ ናይ እቑሑት ናይ ንግዲ ርክብ ከምዝቐጸለ ይገልጹ’ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብሸነኽ ራማ-ክሳድ ዒቃ `ውን ሎሚ ተመሳሳሊ ናይ ዶብ ምዕጻው ስጉምቲ ተወሲዱ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ`ቲ ቦታን ካብ መቐለን ይሕብሩ`ለዉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%88%88%E1%8B%8D%E1%89%B2-%E1%8B%B6%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%8C%B9-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%95%E1%88%8B%E1%8D%8D-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%89%90%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%89%B1-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%9B%E1%88%8B%E1%88%9D%E1%89%A0%E1%88%B3-%E1%8A%95%E1%89%AA%E1%8A%A6%E1%8A%A4-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/4718791.html"} {"headline":"ግብረ መልሲ ዝተፈላለዩ ወገናት ንምምስራት ኮሚሽን ምምሕዳር ወሰንን መንነትን","content":"ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጉዳይ ወሰንን መንነትን ዝጠመተ ኣዋጅ ኣፅዲቑ’ሎ። እቲ ንምምስራት ኮሚሽን ምምሕዳር ወሰንን ጉዳያት መንነት ዝፀደቐ ብብዝረኸቦ ዝበዝሓ ድምጺ ኽከውን ከሎ ብምሉኦም 33 ተወከልቲ ክልል ትግራይ ኣባላት ቤት ምኽሪ ነቲ ኣዋጅ ክቓወሙ ኸለው ካልኦት ኣርባዕተ ኣባላት ድማ ብድምፀ ተዓቅቦ እዩ። እዚ ኣዋጅ ብዝምልከት ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ይስምዑ ኣለው። ካብ ከተማ መቐለ ንፕረዚደንት ማእከላይ ቤት ፍርዲ ከተማ መቐለ ኣቶ ኣብርሃ በርሃን በዓልሞያ ሕጊን አባል ማእከላይ ኮሚተ ውድብ ዓረና ኣቶ ብርሃኑ በርሃን ርእይቶ ኦም ሂቦም ኣለው። ብካልእ ወገን ምምስራት ኮሚሽን ጉዳያት ምምሕዳራዊ ወሰናትን መንነትን ትኽክል እዩ ክብል ናይ ኣምሓራ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣዴፓን ሓደ ሓደ ምሁራትን ገሊፆም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%8B%88%E1%8C%88%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95\/4718764.html"} {"headline":"ቪዥን ኢትዮጵያ ሻውዓይ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድማ ፈለማይ ጉባኤኡ የካይድ ኣሎ","content":"ፕረዚደንት’ቲ ውድብ ፕሮፌሰር ጌታቸው በጋሻው ነዚ ኩነታት ክፈጠር ምክንያት’ዮም ዝበልዎም መንእሰያት ኢትዮጵያ ኣመስጊኖም ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝመደበሩ ቪዥን ኢትዮጵያ ንፈለማ ጊዜ አብ አዲስ አበባ ኢትዮጵያ 7ይ ጉባኤ ምርመርን መጽናዕትን የካይድ ኣሎ። ፕረዚደንት’ቲ ውድብ ፕሮፌሰር ጌታቸው በጋሻው ነዚ ኩነታት ክፈጠር ምክንያት’ዮም ዝበልዎም መንእሰያት ኢትዮጵያ ኣመስጊኖም። “ ካብ ሃገርና ተሰዲድናን ንዝነበርና ስደተኛታት ፖለቲካ ብደምኩምን ክቡር ህይወትኩም ንዓና ነጻ ንዘውጻእኩምና ናብ ሃገርና ክንኣትው ዘብቓዕኩምና መንእሰያት ኢትዮጵያ ፋኖን ቄሮን ካ ኦትን ኩሉኹም ዕዳኩም ክንከፍልን ንህበኩም ክብርን ምስጋናን እኹል ከምዘይኸውን አባላት ቪዥን ኢትዮጵያ ኩልና ንኣምን’ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%AA%E1%8B%A5%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%BB%E1%8B%8D%E1%8B%93%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8D%88%E1%88%88%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8C%89%E1%89%A3%E1%8A%A4%E1%8A%A1-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8B%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%88%8E\/4718703.html"} {"headline":"ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ወረቓቕቶም ንፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውደ ኣቕሪቦም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኤርትራ ኮይኖም ዝተመዘዙ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ናይ ስራሕ ወረቃቕቶም ንፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ሎሚ ኣቕሪቦም።ኤርትራ ድሕሪ 20 ዓመታት ንፈላም ግዜ እያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ትምዝዝ ዘላ፡እቲ ሽመት ወግዓዊ ዝኸውን ዘሎ መስመር ኣስመራ ዛላምበሳ ምዕጻው ኣብ ዝገለጸሉ ዘሎ እዋን እዩ። ድሕሪ 20 ዓመታት ንመጀመሪያ ግዜ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኖም ዝተሸሙ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ሎሚ ሓሙስ ንናይ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ሽመቶም ካብ ዘቕረቡ ሓሙሽተ ኣማባሳደራት ሓደ እዮም። ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ኣለም ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ ቃል ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ን20 ዓመታት ዝነበረ ሓርፋፍ ርክብ ብፅኑዕ ምሕዝነት ይትካእ ኣሎ ኢሎም። “እዚ ምሕዝነት ብዝበለፀ ንምሕያል ናይ መጀመርያ ኣምባሳደር ኣቶ ሰመረ ርእሶም ሎሚ ናይ ሽመት ደብዳብኦም ኣቕሪቦም ኣለው።ክቡር ኣምባሳደር ኣብ መንጎ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዱሽ ናይ ምክብባር፣ናይ ምትሕቑቛፍን ብሓባር ናይ ምስራሕን ምዕራፍ ግሁድ ኮይኑ’ሎ ክብሉ ተዛሪቦም ኣለው።” ኣቶ መለስ ካብ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ብተወሳኺ ምስ ኢትዮጵያ ጥቡቕ ርክብ ናይ ዘለወን ናይ ሶማል፣ግብፅን ቱኒዚያን ከምኡ እውን ናይ ታይላንድን ኣምባሳደራት ናይ ስራሕ ወረቓቅቶም ኣቕሪቦም ኣለው ኢሎም። ሚንስተር ትምህርቲ ኤርትራ ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ኣምባሳደር ሰመረ ርእሶም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ምስ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ዶ\/ር ወርቅንህ ገበየሁ ተራኺቦም፡ምዝርራቦም ይዝከር። እዚ ዝኸውን ዘሎ ተኸፊቱ ዝፀንሐ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ብወገን ኣስመራ ዛላምበሳን ራማ ክሳድ ዒቓን ምዕፃው ሓላፊ ፀጥታን ምምሕዳርን ወረዳ ጉሎ መኸዳ ኣቶ ግርማ ሓዱሽ ትማሊ ድሕሪ ምግላፆም እዩ።ኣቶ ሓዱሽ ’”ናብ ኤርትራን ናብ ኢትዮጵያን ዝኣትዋ መኻይን ብኤርትራ ይኽልከላ ኣለዋ…..ንሳቶም ብዘይሕለፍ ወይ ብፍቓድ ክሓልፋ እየን ይብሉ ኣለው፤ግን ኣቐዲሙ ዝትውሃበ ሓበሬታ ወይ ምድላው የለን’’ ክብሉ ትማሊ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም። ካብ ወገን መንግስቲ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ዝተውሃበ መግለፂ የለን። ብዛዕባ እዚ ዝተሓተቱ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ኣለም ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ሓበሬታ የብለይን፤ምስረኸብኩ ክምልሰኩም እየ ምባሎም ይገልፅ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B3%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%89%93%E1%89%95%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%95%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%88%B3%E1%88%85%E1%88%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%85-%E1%8B%98%E1%8B%8D%E1%8B%B0-%E1%8A%A3%E1%89%95%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/4718187.html"} {"headline":"አርበኞች ግንቦት 7 ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነበሩ ዕጡቓት አባላቱ ናብ ካምፕ ከምዝኣትው ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ንሰላማዊ ቓልሲ ዝተፈጥረ ምቹእ ኩነታት ከይቕልበስ ምስ ሓይልታት ለውጥን ንሰላም ደው ምስ ዝበሉ ዝተፈላለዩ ተቐናቐንቲ ውድባትን ብፅንዓት ደው ክንብል ኢና ክብል ኣርበኞች ግንቦት 7 ሎሚ ኣብዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣፍሊጡ። ካብ መንግስቲ ብዝቐረበ ፃውዒት ሰላም ተቐቢሉ ዕጡቓቱ ናብ ካምፕ ከምዘእተው ብምግላፅ ይኹን ደአ እምበር ኩሎም ኣይኣተውን ክብል’ውን እቲ ምንቅስቃስ ሓቢሩ። ዋና ፀሓፊ ኣርበኞች ሸውዓተ 7 ኣቶ እንዳርጋቸው ፅጌ ካብ ኤርትራ ዝመፁ ካምፕ ከምዝኣተውን ናይ ምጥያስ ስራሕ ግን ገና ከምዘይተሰርሐን ብምግላፅ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነበሩ ዕጡቓት ግን መንግስቲ በጀት መዲቡ ናብ ካምፕ ሰለዘየእትዎም እዩ ኢሎም።ሕዚ ግን ካምፕ ስለዝተረኽበ ኣብ በረኻ ዝርከቡ ብምሉኦም ዕጡቓቱ ኣብ ዝቕፅሉ ሒደት መዓልታት ናብ ካምፕ ክኣትው እዮም ኢሎም። ንሶም ብተወሳኺኢ ናብ ስድርኦም ዝተበተኑ ብዙሓት እንተሃለው እውን ክሳብ ሎሚ ካምፕ ዘይኣተው ኣስታት 550 ዝተዓጥቑ ኣባላቱ ናብ ካምፕ ንምእታው ምስ መንግስቲ ከምዝሰርሕ ወሲኾም ገሊፆም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A0%E1%88%AD%E1%89%A0%E1%8A%9E%E1%89%BD-%E1%8C%8D%E1%8A%95%E1%89%A6%E1%89%B5-7-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8D%E1%88%BD%E1%8C%A2-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A9-%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B1-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AB%E1%88%9D%E1%8D%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%8D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4717218.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣመሓዳሪ ሓደ ወረዳ ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ተቐቲሉ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ወረዳ ቡርጂን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ጉጂን ኣባላት ኦነግ ንሓሙሽተ ሓረስቶት ቡርጂ ከምዝቐተሉን ንሸውዓተ ስቪላት ከምዘቑሰሉን ምምሕዳር ወረዳ ቡርጂ ኣፍሊጡ። ብኻልእ ወገን ኣብ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ምኽትል ኣማሓዳሪ ወረዳ ጉቶ ጊዳ ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ከምዝተቐትለ ተገሊፁ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%B3%E1%88%AA-%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B3-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8D%E1%8C%A1-%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%89%90%E1%89%B2%E1%88%89\/4717203.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ ካርቱም ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ሰለስተ ሰባት ቆሲሎም","content":"ፖሊስ ሱዳን ከም መቐጸልታ’ቲ ኣብታ መላእ’ታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ትማሊ ሶሉስ ኣብ ዋና ከተማ ካርቱም ዝተኻየደ ሰልፊ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝን ጥይት ንሰማይ ምትኳሶም ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ሮይተርስ ዘዘራረቦም ናይ ዓይኒ መሰኻክር ሰለስተ ሰባት ምቁሳሎም’ውን ሓቢሮም ኣለው። እቶም ናይ ዓይኒ መሰካክር ብተወሳኺ ሓይልታት ጸጥታ ናብ ቤተ መንግስቲ ብሰልፊ ዝኸዱ ዝነበሩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ብምዕጋት ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝን ጥይት ናብ ሰማይ ምትኳሶም ገሊጾም። እቲ ተቓውሞ ብነጻ ናይ ሰብሞያ ማሕበር’ታ ሃገር ዝተጸወአ እኳ እንተኾነ ብዓበይቲ ተቓዋምቲ ናይ ፖለቲካ ፓርቲታት ኡማን ሃገራዊያን ዲሞክራት ከምዝድገፍ ተፈሊጡ’ሎ። ኣዳለወቲ እቲ ሰልፊ ብወታሃደራዊ ዕልዋ ኣብ 1989 ናብ መዝነት ዝመጹ ፕረዚደንት በሽር ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ዝጠልብ ፊርማ ንምቕራብ ናብ ቤተ መንግስቲ የምርሑ ከምዝነበሩ ተፈሊጡ’ሎ።ይኹን ደአ እምበር ነዚ ስዒቡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ናህሪ ዋጋታት ብምቓውም ሰልፊ ተቓውሞ ይካየዱ ኣለው። እዚ ተቓውሞታት ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ምብጽሖም ስዒቡ የጋጥም ምህላው’ውን ይፍለጥ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%AB%E1%88%AD%E1%89%B1%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B0-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%86%E1%88%B2%E1%88%8E%E1%88%9D\/4716893.html"} {"headline":"ትካል ምርምር ሕርሻ ትግራይ ኣብ ምስሳን ምህርቲ ሓረስቶት እጃሙ የበርክት ምህላው ተገሊጹ","content":"ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትካል ምርምር ሕርሻ ትግራይ ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ሓያሎ ምርምራት ብምክያድ ንምስሳን ምህርቲ ሓረስቶት እጃሙ ከበርክት ፀኒሑ፡፡ትካል ምርምር ሕርሻ ትግራይ ኣብ ኣላማጣ፣ ኣክሱም፣ ማይፀብሪን፣ ሽሞራን መቐለን ማእከል ምርምራት ጣብያ ኣለዉዎ፡፡ኣብዞም ዝተፈላለዩ ምርምራት ጣብያ ኣብ ኩለ መዳይ ዘራእቲ፣ሃብቲ እንስሳን ካልኦት ዘመናዊያን መሳርሕን ኣድሂቦም ይመራመሩ ናብ ሓረስቶት የቕርቡ፡፡ ምክትል ዳይረክተር ምርምር ዘራእቲ ዶክተር ገብረ ሓጎስ ትካል ምርምር ሕርሻ ትግራይ ብሰለስተ ዓበይቲ ዓንድታት ዝቖመ’ዩ ይብሉ፡፡ ንሶም ብተወሳኺ ኣብ ኩሎም ማእከል ምርምራት ዝተረክቡ ዝተፈላለዩ ዓሌት ዘራእቲ ናብ ሓረስቶት ክበፅሑ ተገይሩ እዩ፡፡ ኣብ ስርናይ፣ ሰሊጥ፣ ዓልቋይ፣ሩዝን ካልኦት ዘራእትን ዓሌቶም ብምምሕያሽ ናብ ሓረስታይ ተኣታትዮም እዮም ይብሉ፡፡ እዞም ዓሌታት እዚኦም ብፍላይ ኣብ ምፅዋር ሕማማት ዝሓሸ ተክእሎ ዘለዎም እዮም፡፡ ብዘይካ እዚ ምስ ናይ ከባቢና ህልው ኩነታት ዝናብ ተዛሚዶም ድርቂ ዝፃወሩን ኣብ ሓፂር ግዜ ናብ እቶት ዝበፅሑን ዘራእቲ አዮም፡፡ ዶክተር ገብረ ብምርምር ዝምዕብሉ ዘራእቲ ብውሕድ ካብቶም ቅድሚአን ንጥቀመሎም ዝነበርና ብ10 ሚእታዊ ዕብየት ዘርእዩ ምዃኖም ተረጋጊፁ እዩ ናብ ሓረስቶት ዘበፅሑ ይብሉ ፡፡ እዞም ዝተመሓየሹ ዘራእቲ ናብ ሓረስቶት ኣብ ምብፃሕን ብቀሊሉ ኣብ ምቅባል እንታይ ከምዝመስሉ ዶክተር ገብረ ክገልጹ ከለው “እዞም ዝተመሓየሹ ዘራእቲ ኣብ እዋን ፈተነ ምስ ሓረስታይ ኰይንካ እዮም ዝስርሑ፡፡ እቲ ምርምር ሓረስታይ ኣብ ዘለዎን ኣብ ግራቱን አዩ ዝካየድ፡፡ ኣብ ሓደ ከባቢ ዘለዉ ዝተማሓየሹ ዘራእቲ ብዕዶትን ካልእን ክርኦምን ክመሃረሎምን ሰለዝግበር ኣብ ምቅባል ዘጋጥም ፀገም የለን።” ዶክተር ገብረ ነቲ ማእከል ምርምርን ስርሓትን ብዝምልከት ዝሃብዎ ሰፊሕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%9D%E1%88%AD-%E1%88%95%E1%88%AD%E1%88%BB-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%B3%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%93%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%89%B6%E1%89%B5-%E1%8A%A5%E1%8C%83%E1%88%99-%E1%8B%A8%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%8A%AD%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4716833.html"} {"headline":"መስመር ዛላምበሳ ኣስመራ ምዕጻው ተገሊጹ","content":"ካብ መጀመርያ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ተከፊቱ ዝነበረ መስመር ዛላምበሳ ኣስመራ ምዕፃዉ ተሓቢሩ። እቲ ንልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ክፉት ኮይኑ ሰባትን መጓዓዝያን ከም ድላየን ዝመላለሳሉ ዝነበራ መስመር ዛላምበሳ ኣስመራ ሮቡዕ 17 ታሕሳስ 2011 ዓ.ም ካብ ንግሆ 12 ሰዓት ጀሚሩ ምዕፃዉ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓላፊ ፀጥታን ምምሕዳርን ወረዳ ጉሎምካዳ ኣይተ ግርማይ ሓዱሽ ሓቢሮም። ኣይተ ግርማይ ሓዱሽ ካብ ንግሆ ሮቡዕ ጀሚሩ ሓደሽቲ ዝኣቱን ዝወፅእን ብምክልካል ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ከይዶም ዝፀንሑ ነናብ ዝነበርዎ ክምለሱ ፍቁድ እዩ ኢሎም። እዚ ምክልካል ብወገን መንግስት ኤርትራ ኩነታቱ ንምርዳእ ናብቲ ዶብ ከባቢ ተንቀሳቂስና ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ንምርካብ ምፍታኖም ሓላፊ ፀጥታ ወረዳ ጉሎምካዳ ኣይተ ግረማይ ይገልፁ። እቲ ምክልካል ከም ኣገላልፃ ኣይተ ግርማይ ደጊም ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝኣቱ ዝኮነ ካብ ፌደራል መሕለፊ ወረቀት ከምፅእ ከምዘለዎ ከም ዝሓበሩዎም ይዛረቡ። እቲ ምክልካል ምምሕልላፍ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይተከልከለ ምኳኑ ኣይተ ግርማይ ሓዱሽ ይሕብሩ። እዚ ሃንደበታዊ ምክልካል ምምሕልላፍ ህዝብታት ይኩን መካይን ኣብ ህዝቢ ኣሉታዊ ስምዒት ኣሕዲሩ ኣሎ ክብሉ ሓላፊ ፀጥታን ምምሕዳርን ወረዳ ጉሎምካዳ ኣይተ ግርማይ ሓዲሽ ሓቢሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AD-%E1%8B%9B%E1%88%8B%E1%88%9D%E1%89%A0%E1%88%B3-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%8C%BB%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4716784.html"} {"headline":"ነበርቲ ምዕራብ ወለጋ ብሄር ተኾር መጥቓዕቲ ይፍጸመና ኣሎ ክብሉ ይኸሱ","content":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባታት ምዕራብን ሆሮ ጉድሩን ወለጋ ዝተፈላለያ ወረዳታት ዝነብሩ ተወለድቲ ኣምሓራ ብዕጡቓት ሓይልታት ብሄር ተኮር መጥቓዕቲ ይፍፀመና ኢሎም።ኣብቲ ከባቢ መሓውር መንግስቲ ምፍራሱን ሓይልታት ምክልኻል እውን ክሳብ ሕጂ ከምዘይበፅሕሎምን ንድ ምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።ናይቲ ክልል ፖሊስ ብወገኑ ናይቲ ክልል ሰላም ዝዘርጉ ኣካልት ከምዘይዕገስ ገሊፁ’ሎ። ኣብ ዞባታት ምዕራብን ሆሮ ጉድሩን ወለጋ ነበርቲ ገለ ወረዳታት ተወለድቲ ኣምሓራ ብዕጡቓት ሓይልታት ብሄር ተኮር መጥቓዕቲ ይፍፀመና’ሎ ኢሎም።ሽሞም ክጥቀሰሎም ዘይደለዩ ነባሪ ዞባ ሆሮ ጉድሩ ወረዳ ጃርቴ ካብ 5 ታሕሳስ 2011ጀሚሮም ‘’ሰራዊት ዳውድ ኢብሳ ኢና፤ኣምሓራ ኣብዚ ከባቢ ክነብር የብሉን’’ እናበሉ እናቐጥቀጡ ብረትና እውን የፍቱሑና ኣለው ኢሎም። “ካብኡ ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ ብረት እናዘረፉ፣እናቐጥቀጡ ንሰባት እናሳቐዩ እዮም ዘለው።ንሕና ተወለድቲ ኣምሓራ እንጀራ ደሊና ኢና መፂኢና።ግን ሓያል መጥቓዕቲ እዩ ዝወርደና ዘሎ፤ኣብ ዝለዓለ ሽግር ኢና ንርከብ።ወገን ይብፅሐልና ኢና ንብል ዘለና።…ንዓና ናይ ወያነ ሰራሕተኛ ወይም ናይ ወያነ ኣባላት እዮም ዝብሉና።ኣባል ወያነ ክሰርሕ፣ክቃልስ፣ክዛረብ ኣይክእልን እዮም ዝብሉና። “ ዛጊት ሓይልታት ምክልኻል ከምዘይበፅሑሎም እውን ወሲኾም ሓቢሮም። ካልእ ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ነባሪ ወረዳ ኣቤር ጉንዱሮ ከተማ ቱሉ ገና ኣብታ ከተማ መሓውር መንግስቲ ዝብሃል የለን፤ንምራሕ ዘለና ብዕጡቓት ሓይልታት እዩ፤ዝነበሩ ኣባላት መሪሕነት እውን ምስቶም ዕጡቓት ብምዃኑ እናውቅዑናን እናቕተሉናን እዮም ኢሎም። “ናይ መን መሓር መንግስቲ እዩኸ?ብደረጃ ወረዳኮ ዋላ ሓደ ነገር የለን።ዝተወደበ ጉጅለ እዩ ዝመርሖ ዘሎ።ሰብ እናተወቕዐ ይቕተል እዩ ዘሎ፡ንኣብነት ሓደ ወዲ ጎጃም ተወቒዑ ብረቱ ወሲዶም ብኣፉን ኣፍንጭኡን እናደመይ ናብ ሆስፒታል ከይዱ ይሙት ይሃልው ዝፍለጥ ነገር የለን።እቲ ወረዳ ኣገልግሎት ምሃብ ጠጠው ኣቢሉ እዩ።” ምስዚ ብዝተኣሳሰረ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ ሰከላ ኣብዝተፈላለዩ ኣብያተ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ዝምሃሩ ኣስታት 185 ተምሃሮ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ዝነበሩ ወለዶም ብዕጡቓት ሓይልታት እናተዓፈኑ ይውሰዱ ስለዘለው ትምህርትና ክንከታተል ኣይክኣልናን ክብሉ ኣብ ከተማ ባህርዳር ሰልፊ ከምዘካየዱ ተፈሊጡ’ሎ። ፖሊስ ኮምሽን ክልል ኦሮሚያ ሎማ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ቀሌም ወለጋ፣ምብራቕን ምዕራብን ወለጋ ከምኡ እውን ኣብ ሆሮ ጉድሩ ትካላት መንግስቲ ኣገልግሎት ጠጠው ምባሉ ብምግላፅ ሰላምን ድሕነትን ናይቲ ክልል ኣብ ልዕሊ ዝዘርጉ ኣካላት ስጉምቲ ንምውሳድ ድልዊ ምዃኑ ሓቢሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8C%8B-%E1%89%A5%E1%88%84%E1%88%AD-%E1%89%B0%E1%8A%BE%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8B%AD%E1%8D%8D%E1%8C%B8%E1%88%98%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8B%AD%E1%8A%B8%E1%88%B1\/4714319.html"} {"headline":"አርበኞች ግንቦት 7 ፓርቲ ክምስርት ምዃኑ ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ጉዳይ ትኹረት ዝወሃቦ ምስፋን ሰላምን ምርግጋእን ሃገር እዩ ኢሉ ኣርበኞች 7 ግንቦት።ነዚ ንምርግጋፅ እውን ምስቲ ናይ ለውጢ ሓይሊ ከምዝሰርሕ መራሒ ናይቲ ምንቅስቓስ ዶ\/ር ብርሃኑ ነጋ ገሊፆም።እቲ ምንቅስቓስ ፓርቲ ንምምስራት ይሰርሕ ከምዘሎ እውን ሓቢሩ’ሎ። ኣርበኞች ግንቦት 7 ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካየዶ ህዝባዊ ኣኼባ ንመጻኢ ብዛዕባ ዝምስርቶ ፓርቲ መብርሂ ሂቡ’ሎ።ኣቦ መንበር እቲ ምቅስቓስ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ናይቲ ዝምስረት ፓርቲ ሪኢዮተ ዓለማዊ ዓምዲ ኣብ ዜግነት ዝተመስረት ዴሞክራሲ ናይ ፖለቲካ ስርዓትን ፍትሓዊ ቁጠባዊ ሃብቲ ዝሰፈነሉ ማሕበረሰብ ምውዳብን እዩ ኢሎም። ኣብታ ሃገር ምስ ዘሎ ስእነት ሰላም ዝተኣሳሰረ ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረብ ሕቶ ዶ\/ር ብርሃኑ ነጋ መልሲ ሂቦም ኣለው። “ንሕና ብዝኾነ ይኹን መልክዕ ድሕሪ ሎሚ ከምዚ ዝበለ ግጭት እናፈጠሩ እታ ሃገር ንኸይትረጋግእ ዝፍትኑ ሓይልታት እንተድኣ ሃሊዮም ምስቲ ናይ ለውጢ ሓይሊ፣ምስ እኒ ኣብይ ኮይንና ክንገብሮ ዘለና ገይርና ንሰላም ምርግጋፅ እዩ።ከምኡ ከም እንገብር ክንድ ፍረ እውን ከይትጠራጠሩ።” ንዓና ቅድሙ ኩሉ ውድብ ከይኮነስ ሃገር እዩ ዝበሉ ንሶም ናይ መጀመሪያ ስራሕና ምርግጋእን ምስፋን ሰላምን እዩ ኢሎም። ኣቶ ኣንዳርጋቸው ፅጌ ብወገኖም ኣብ መስርሕ ምስረታ ዝርከብ ሓድሽ ፓርቲ መሰረት ካብ ወረዳ ከምዝጅምርን ዝኾነ ይኹን መራሒ ናይዚ ፓርቲ ብደረጃ ወረዳ ካብ ዝርከቡ ኣባላት ፓርቲ ተመሪፁ ዝመፅእን ጥራሕ እዩ ኢሎም። ኣቶ ኣንዳርጋቸው ብደረጃ ወረዳ ናይ ቀደም ኣተሓሳስባን ኣሰራርሓን ብምሓዝ ዝኾነ ይኹን ለውጢ ከይመፅእ ዝገብሩ ዘለው ኣካላት ዶ\/ር ኣብይ ከይኮኑስ ንሕና ኢና ንቕይሮም ኢሎም ። ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ካብ ተሳተፍቲ ንዝተልዓለ ሕቶ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ናይ ፖለቲካ ፓርቲታት ተግባር ልዕሊ ምክርኻር ታሪኽ እዩ ኢሎም። “ኢትዮጵያ ሓድነታ ሓሊያ ዴሞክራሲያዊት ኮይና እትነብር ሃገር ምግብር እዩ።ናይ ኢትዮጵያ ታሪኽ ሓደ ምእቲ ዓመት እዩ ዝብል ሰብ ይኺድ’ሞ ምስ ምሁር ታሪኽ ይከራኸር።ናትና ጉዳይ ንሱ ኣይኮነን።ናትና ጉዳይ እዛ ሃገር እዚኣ ዴሞክራሲያዊት ገይርና ምሕላፍን ንደቅና ምርካብን እዩ።ካብዚ ንድሓር ንድሕሪት እናርኣና ክንስሓሓብ ኣይንነብርን።” ኣብቲ ህዝባዊ ኣኼባ ኣዚዩ ብዙሕ ህዝቢ ተረኺቡ ከምዝነበረ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ አዲስ አበባ ይሕብር። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A0%E1%88%AD%E1%89%A0%E1%8A%9E%E1%89%BD-%E1%8C%8D%E1%8A%95%E1%89%A6%E1%89%B5-7-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%91-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1-\/4714301.html"} {"headline":"ፖሊስ ሱዳን ተቓውሞ ዘካየዱ ደገፍቲ ጸወታ ኩዕሶ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ይትኩሱ","content":"ፖሊስ ሱዳን ትማሊ ሰንበት ካብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ወጺኦም ኣብ ጎደናታት ካርቱም ተቓውሞ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምጥቃሙ ሮይተርስ ሓቢሩ። ሰልፈኛታት ኣብ ኡምድርማን ዝተባህለ ቦታ ብምትእክኻብ “ህዝቢ ምውዳቕ እዚ መንግስቲ ይጽውዕ”: “ነጻነት ነጻነት” ዝብል ጭርሖ ብምሓዝ ናብ ጎደናታት ዋና ከተማ ካርቱም ብምውጻእ ሰልፊ አካይዶም። ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሸተ መዓልታት ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ሱዳን ናህሪ ዋጋታትን ሕጽረት ኣቕርቦትን ለውጢ ምምሕዳር ዝጠልብ ሰልፊ ከካይዱ ቐንዮም’ ዮም ። ፖሊስ ነዚ ተቓውሞታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ኣብ ገለ እውን ጥይት ብምትኳስ 12 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ’ሎ። ኣብ ገለ ግዝኣታ’ታ ሃገር’ውን ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ምእዋጁ ተገሊጹ። ኣብ መጀመርታ’ዚ ወርሒ አባላት ፓርላማ ኣብ ቅዋም ታ ሃገር ለውጢ ብምትእትታው ኣብ ናይ ስልጣን ዘመን ፕረዚደንት በሸር ኣብ 2020 ከብቕዕ ጻውዒት ምቕራቦም ይፍለጥ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%88%9E-%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B1-%E1%8B%B0%E1%8C%88%E1%8D%8D%E1%89%B2-%E1%8C%B8%E1%8B%88%E1%89%B3-%E1%8A%A9%E1%8B%95%E1%88%B6-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%89%B3%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%8A%95%E1%89%A5%E1%8B%95-%E1%8C%8B%E1%8B%9D-%E1%8B%AD%E1%89%B5%E1%8A%A9%E1%88%B1\/4714007.html"} {"headline":"“ፖለቲካን ስፖርትን ክተሓዋወስ ኣይብሉን” ዶ\/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል","content":"ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ትግራይን ኣምሓራን ዘራኽቡ ኣብ ስታድዮማት ትግራይ ዝካየዱ ፀወታታት ብሰላማዊ መንገዲ ክዛዘም መንግስትን ህዝብን ትግራይ ሓላፍነት ክወስድ እዩ ክብሉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣፍሊጦም። እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕደር ሎሚ ሶኑይ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ስፖርትን ፖለቲካን ዝሓዋውሱ ኣካላት ድማ ክኹነኑ ይግባእ ኢሎም። No media source currently available ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ፕሪመርሊግ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ጉድለት ስፖርታዊ ጨዋነት ኣብ መንጎ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ትግራይን ኣምሓራን ይካየዱ ዝነበሩ ውድድራት ኣብ ገለልተኛ ሜዳ ይተኣናገድ ነይሩ። በዚ ድማ ኣብ ንተፃወቲ፣ ጋንታታትን ደገፍትን ብሓፈሻ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፅቡቕ ስሚዒት ኣይፈጥርን ብምባል ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ምስ ምምሕዳር ክልቲአን ክልላት ብመሰረት ዝገበሮ ምርድዳእ፥ እተን ጋንታታት ኣብ ዓመተ 2011 ዝገብርኦ ፀወታታት ኣብ ነናይ ባዕለን ሜዳ ንክካየድ ተወሲኑ እዩ። ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ትግራይን ኣምሓራን ዘራኽብ ኣብ ስታድዮማት ትግራይ ዝካየዱ ውድድራት ብሰላማዊ መንገዲ ክዛዘም መንግስትን ህዝብን ትግራይ ሓላፍነት ከምዝወስድ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ተዛሪቦም። ዶክተር ደብረፅዮን\"ምስ ፌደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተገበረ ዘተ መንግስቲ ክልቲኦም ክልላት ሓላፍነት ከምዝወስዱ ብሚድያ ከፍልጡ ከምዘለዎ ብመሰረት ዝተገበረ ምርድዳእ እየ መግለፂ ዝህብ ዘለኹ\" ኢሎም:: ትግራይ ሰላማን ምርግጋዓን ሓሊያ ተወልድቲ ካልኦት ብሄር እውን ተኸቢሮም ዝነብሩላ ኣብ ስራሕ ትርከብ ክልል እያ ዝበሉ እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ስፖርት ንበይኑ ዝፍጠር ምዝራግ ሰላም ኣይህሉን ኢሎም ። “ፖለቲካን ስፖርትን ክተሓዋወስ ኣይብሉን” ዝበሉ ኢሎም ዶክተር ደብረፅዮን: ፖለቲካ ኣብ ናይ ባዕሉ መድረኽ ኣብ ጠሬጴዛ ኣብ ዝግበር ቃልሲ እምበር ኣብ ሜዳ ስፖርት ክኣቱ ኣይግባእን ኢሎም። ቀዲሙ ዝወፀ መርሃግብሪ ከምዘመላኽቶ ቐፃሊ ረቡዕ ኣብ ፀወታ ፕሪመርሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ምስ ፋሲል ከነማ ኣብ ስታድዮም ትግራይ ጋንታ ባህርዳር ድማ ምስ ጋንታ ስሑል ሽረ ኣብ ስታድዮም ባህር ዳር ክራኸባ እየን ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8D%96%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%89%B0%E1%88%93%E1%8B%8B%E1%8B%88%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%89%E1%8A%95-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%8D%85%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%9A%E1%8A%AB%E1%8A%A4%E1%88%8D\/4713941.html"} {"headline":"ፓርላማ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ዶብን ምምሕዳን መንነት ክምስረት ኣጽዲቑ","content":"ፓርላማ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብዘካየዶ ኣኼባ ኮሚሽን ዶብን ምምሕዳርን መንነትን ክምስረት ብኣዋጅ ኣፅዲቑ። ቤት ምኽሪ ፌደረሽን መፍትሒ ክገብረሎም ዘይኸኣሉ ጉዳያት በዚ ኮሚሽን ክፍትሑ ከምዝኽእሉ ተኣሚኑ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%88%8B%E1%88%9B-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%8B%B6%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8C%BD%E1%8B%B2%E1%89%91\/4711407.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኦሮምያ ብዝተላዕለ ግጭት 8 ሰባት ምሟቶም ነበርቲ ይገልጹ","content":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ፣ዞባ ምዕራብ ወለጋ፣ወረዳ ላሎ ኣሳቢ፣ጣቢያ ገርጆ ሲበን ትማሊ ሓሙስ ሸሞንተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም። እቶም ነበርቲ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ብብዝሒ ናብ ደምቢደሎ ይጉዓዝ ኣብዝነበረሉ እዋን ብዝተኸፍተ ቶኽሲ ከምዝተቐትሉ ይገልፁ።ሽሞም ክግለፅ ዘይደለዩ መሰኻኽር ቶኪሶም ዝቐተሉዎም ንሰራዊት ኦነግ ይሃድኑ ዝነበሩ ሓይልታት ምክልኻል እዮም ኢሎም። ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ኦሮሚያ ኣቶ በዙ ዋቅቤካ ኣብ መንጎ ዘይፍለጡ ዕጡቓት ሓይልን ኣብቲ ከባቢ ፀጥታ ይሕልው ዝነበረ ሰራዊት መንግስትን ብዝተፈጥረ ግጭት ህይወት ሰብ ምጥፍኡ ብምግላፅ ብዝሒ ዝሞቱ ግን ካብቲ ዝተብሃለ ንታሕቲ እዩ ኢሎም። ናይ ግንቢ ሆስፒታል ሜዲካል ዳይሬክተር ዶ\/ር ደሳለኝ ኣበበ ናይ ክልተ ሰባት ኣስከሬን ከምዝመርመሩ ኣረጋጊፆም ኣለው።ናይቲ ዞባ ኣምሓዳሪ ኣቶ ገሜ ዴሳ ሸሞንተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ንመራኸቢ ብዙሃን መንግስቲ ትማሊ ኣረጋጊፆም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-8-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B9\/4711389.html"} {"headline":"ኦነግ መንግስቲ ኲናት ኣዊጁልና ክብል ከሲሱ","content":"መንግስቲ ኲናት ኣዊጁ ክብል ግንባር ሓርነት ኦሮሞ\/ኦነግ\/ ከሲሱ።ኣስመራ ዝተኻየደ ውዕል ተግባራዊ ከይኸውን መንግስቲ ዕንቅፋት ይፈጥር ኣሎ ክብሉ ኣቦ መንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣቶ ዳዊት ኢብሳ ገሊጾም። ብኻልእ ወገን ፈፃሚ ስራሕ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኦሮሞ ትማሊ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ሓይልታት ጥፍኣት ንኦሮምያ ዓውዲ ኲናት ንኽትኸውን እናተንቀሳቐሱ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ ቕትለት እናተፈፀመ ምዃኑ ገሊፁ’ሎ። እቲ ፈፃሚ ስራሕ ኣብ ጉዳያት ሰላምን ፀጥታን እቲ ክልል ኣመልኪቱ ኣብዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣሕሊፉ’ሎ። እቲ መግለፂ ኣብ መንጎ ኦሮሞ ዝካየድ ዕጥቓዊ ቓልሲ ሰዓራይን ተስዓራይን ዘይብሉ እዩ ዝበለ እቲ መግለፂ ናይቲ ህዝቢ ሰላም ክዝረግ፣ህዝቢ ብሰላም ወፂኡ ከይኣቱን ስግኣት ክስምዖን፣ናይቲ ህዝቢ ፀገማት ዝፈትሑ ፕሮጀክትታት ደው ክብሉን ዝተኣተወ መፅብዓ ከይዕወት ናይ ውሽጥን ወፃእን ሓይልታት ጥፍኣት ኦሮሞ ሃገር ክመርሕ ኣይክእልን ብዝብል ውዲት መዓልቲ ምስ ለይቲ ይሰርሑ ኣለው ይብል ። ፀላእቲ ብዝኣለምዎ ብናይ ባዕልትና ሰባት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ህዝቢ ጨካን ናይ ሽብር መጥቓዕቲ እናተፈፀመ ህይወት ሰብ ይሓልፍ፣ደቂ ኣንስትዮ ይድፈራ፣ንብረት ይዓኑን ህዝቢ እውን ናይ ምንቅስቓስ መሰሉ እናተደረት፣ኣባላት ኣመራርሓ ኦዴፓን ፖሊስ ኦሮሚያን ብዘሰቅቕ ህይወቶም ሓሊፉ’ሎ ይብል። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A6%E1%8A%90%E1%8C%8D-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%8A%E1%8C%81-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%A8%E1%88%B2%E1%88%B1\/4711347.html"} {"headline":"ወከልቲ ትግራይ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ስለምንታይ ንረቂቕ ጉዳይ መንነትን ወሰንን ተቓዊሞምዎ?","content":"ቤት ምኽሪ ወከልቲ ኢትዮጵያ ነቲ ‘ኣሳሓሓቢ ዝተባሃለ ሕጊ ወሰን ምምሕዳርን መንነትን’ ብኣብዛሓ ድምጺn ብኣርባኦተ ተኣቅቦን ትማሊ ሓሙስ ኣጽዲቕዎ ኣሎ። ወከልቲ ትግራይ ኣባላት እቲ ፓርላማ ብሙልኦም ግና ነቲ ረቒቕ ሕጊ ተቃዊሞምዎ ኣለው። ቪኦኤ ዘዘራረቦም ኣባል ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣቶ ኣጽባሃ ኣረጋዊ ‘እቲ ዝቀረበ ረቂቕ ምስ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለዝራጸም’ዩ ዝተቃወምናዮ’ ይብሉ። ኣባላት’ቲ ፓርላማ ግና ‘እቲ ንጉዳይ መንነትን ወሰንን’ ኣጽኒዑን ተኸታቲሉን ምክረ ሓሳብ ዘቕርብ ኮምሽን ምስ ሕገ መንግስቲን ስልጣን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ዝጻባእ ኣይኮነን’ ይብሉ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-parliament-approved-bill-for-identity-and-territorial-lines\/4711316.html"} {"headline":"ልዕሊ 27,500 ኤርትራዊያን ኣብ ማእከል ስደተኛታት ኢትዮጵያ ተመዝጊቦም ከምዘለው ትካል ሰብኣዊ ሓገዝ ሕ\/ኣውሮጳ ይገልጽ","content":"ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ወርሒ መስከረም ምኽፋቱ ስዒቡ ልዕሊ 27,500 ኤርትራዊያን ኣብ ማእከል ስደተኛታት ኢትዮጵያ ተመዝጊቦም ከምዘለው ስርሒት ሰብኣዊ ሓገዝ ሕብረት ኣውሮጳ ዘዳለዎ ጸብጻብ ይገልጽ። ጸብጻብ ስርሒት ሰብኣዊ ሓገዝ ሕብረት ኣውሮጳ ልዕሊ 24,000 ኤርትራዊያን ብእንዳባጉና ዝጽዋዕ ማእከል ስደተኛታት ከምዝተመዝገቡ ካልኦት ኣስታት 3,500 ድማ ኣብ ክልል ዓፋር ዝርከብ ማእከል ስደተኛታት ከምዝተመዝገቡ ይሕብር። ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ትካል ክሳብ ነሓሰ 31,2018 ዓ.ም 174,000 ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ከምዘለው ይገልጽ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝጸንሓ ውጥረት ኣብ ሰነ 2018 ደው ምባሉን ኣብ ወርሒ ሓምለ ድማ ስምምዕ ሰላም ምፍርራሞም ይፍለጥ። ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ወርሒ ጥቕምቲ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ቁጽሪ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትው ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ መዓልቲ ካብ 53 ናብ 390 ምውሳኹ ይገልጽ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-27-500-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8C%8A%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%88%95-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%88%AE%E1%8C%B3-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%BD\/4711029.html"} {"headline":"ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ናብ ገዝኡ እናኸደ ኸሎ ብሰብ ከምዝተሃርመ እሙናት ምንጭታት ይገልጹ`ለዉ","content":"ሚንስተር ማዕድንን ጽዓትን ኤርትራ፡ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ቅድሚ ክልተ መዓልታት ናብ ገዝኡ እናኸደ ኸሎ ብሰብ ከምዝተሃርመ እሙናት ምንጭታት ይገልጹ`ለዉ። ዘይተረጋገጹ ምንጭታት ድማ ኣብ ከባቢ ገዝኡ ኣድብዩ ብዝጸንሐ ሰብ ብሽጉጥ ከምዝተሃረመን ብጽኑዕ ቆሲሉ ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ ንክልተ መዓልታት ኣብ ጽኑዕ ክትትል ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ናብ ወጻኢ ሃገር ከምዝከደ ይገልጹ`ለዉ። እቲ ዝሃረመ ሰብ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዩ ይምርመር ከምዘሎ ዝገልጹ ሽሞም ክዕቀበሎም ዝሓተቱ ምንጭታት፡ እቲ ተግባር ፈተነ-ቕትለት ይኹን ተራ ገበን`ውን ንምርግጋጽ ኣይተኻእለን ይብሉ። ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ፖሊስ ኮነ ካብ ዝኾነ በዓል-ስልጣን ርእይቶ ምርካብ ፈቲኑ ኣይተዓወተን። ገለ ነበርቲ ኣስመራ’ውን መንግስቲ ከም ዓቢ ሃገራዊ ጉዳይ ሒዙ ብኣዝዩ ጥብቂ ምስጢር ዝሓዞ ይመስል ይብሉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%80%E1%8A%90%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%89%A5%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%8D%8D%E1%88%A8%E1%88%9D-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8C%88%E1%8B%9D%E1%8A%A1-%E1%8A%A5%E1%8A%93%E1%8A%B8%E1%8B%B0-%E1%8A%B8%E1%88%8E-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%83%E1%88%AD%E1%88%98-%E1%8A%A5%E1%88%99%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%8C%AD%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B9-%E1%88%88%E1%8B%89\/4710954.html"} {"headline":"ሱዳን፡ ክፍለ ግዝኣት ኣጥባራ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጃ","content":"ኣብ ሱዳን ክፍለ ግዝኣት ኣጥባራ ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ናህሪ ዋጋታት ብምቕዋም ትማሊ ረቡዕን ሎሚ ሓሙስን ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ህንጻ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር’ታ ክፍለ ግዝኣት ከምኡ’ውን ኣብ ኣብ ኣፍደገ’ቲ ምምሕዳር ዝነበረ መኻይን ብምቕጻሎምን ይ ህጹጽ እዋን ተአዊጁ’ሎ። እቲ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ሰዓታት ‘እቶ እቶ’ ካብ ንግሆ ሰዓት 6፡00 ክሳብ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 6፡00 ብኣቆጻጽራ’ታ ሃገር ከምዝተአወጀ’ውን ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ገሊጹ’ሎ። No media source currently available ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት’ታ ሃገር ተቓውሞታት ዝተራእዩ ምዃኖም እንተኾነ ኣንጻር መንግስቲ ብዝኻየዱ ተቓውሞታት ትፍለጥ ክፍለ ግዝኣት ከተማ ኣጥባራ ዝተኻየደ ተቓውሞ ግን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ንጎደናታት ኣጥባራ ድሕሪ ምቁጽጻሮም ሓይልታት ጸጥታ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ብምጥቓም ተፈሊጡ’ሎ። ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ከተማታት ሱዳን ብሰንኪ ናህሪ ዋጋታት ሓሩጭን ባኒን ተደጋጋሚ ተቓውሞታት ክረአ ምጽንሑ ይዝከር። ብዘጋጥም ዘሎ ሕጽረት ባኒን ነዳዲን ብዝሒ ሰባት ኣብ ኣብያተ መሰንከቲ ባኒን ነዳዲ መዓደሊን ሪጋ ክስርዑ ይረአ ምህላዎምን ተሓቢሩ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%88%88-%E1%8C%8D%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8C%A5%E1%89%A3%E1%88%AB-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%85%E1%8C%B9%E1%8C%BD-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8B%8A%E1%8C%83\/4709252.html"} {"headline":"ቤት ፍርዲ ፈደራል ፖሊስ ኣብ ጉዳይ ሜ\/ጀነራል ክንፈ ዝሓተቱ ተወሳኺ ናይ ምርመራ መዓልታት ተቐቢልዎ","content":"ፌደራል ፖሊስ ብከቢድ ናይ ብልሽውና ገበን ንዝተጠርጠሩ ሜጄር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ተወሳኺ ናይ ምርመራ ግዜ ክውሃቦ ንቤት ፍርዲ ዘቕረቦ ሕቶ ተፈቒዱሉ።እቲ ቤት ፍርዲ ብከቢድ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ንዝተጥርጠሩ ኣቶ ተስፋየ ኡርጌ እውን ተመሳሳሊ ውሳነ ሂቡ’ሎ። ፌደራል ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ናይ ሜቴክ ዋና ዳይሬክተር ዝነበሩ ሜጄር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ዝጀመሮ ምርመራ ሎሚ እውን ተወሳኺ 14 መዓልታት ሓቲቱ።ናይ ተጠርጣሪ ጠበቓታት ዘቕረብዎ ተቓዋሞ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ኣብ ሃገራዊ ድሕነት ሓላፊ ክፍሊ ግብረ ሓይሊ ፀረ-ሽብር ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ኣቶ ተስፋየ ኡርጌ ፖሊስ ተወሳኺ 14 መዓልታት ናይ ምርመራ ግዜ ሓቲቱ እቲ ቤት ፍርዲ ፈቒዱ’ሎ።ቤት ፍርዲ ን22 ታሕሳስ 2011 ዓ\/ም ቆፅሮ ሂቡ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%88%9C-%E1%8C%80%E1%8A%90%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%8A%AD%E1%8A%95%E1%8D%88-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%89%B0%E1%89%B1-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B3%E1%8A%BA-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%89%90%E1%89%A2%E1%88%8D%E1%8B%8E\/4707994.html"} {"headline":"ኣብ ቤንሻንጉል ጉምዝ ትጉዓዝ ዝነበረት ኣውቶቡስ ብዘጋጠማ ሓደጋ ነታጒ 9 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ካብ ባምባሲ ናብ ቶንጎ ትጉዓዝ ዝነበረት ሚኒሚባስ ዝዓይነታ ኣውቶቡስ ብዝወረደ ሓደጋ ቦምብ ህይወት 9 ሰባት ምሕላፉ ኣማሓዳሪ ወረዳ በጊ ኣቶ ጂፋ ራቢፋ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም። እታ መኪና ሎሚ ረቡዕ 18 ሰባት ፅዒና ትጉዓዝ ከምዝነበረትን ናብ በጊ ኣብዝወስድ መንገዲ ዝተቐብረ ቦምብ ተተኲሱ ሸሞንተ ሰባት ሽዑ ንሽዑ ከምዝሞቱን ሓደ ድማ ኣብ ሆስፒታል ከምዝዓረፈን እቶም ኣማሓዳሪ ሓቢሮም። ንኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ሰይፈዲን ሃሩን ዝጠቐሰ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ 10 ሰባት ምሟቶም ሓቢሩ’ሎ። እቶም ዝቖሰሉ ድማ ኣብ ቤጊ ሆስፒታል ይሕከሙ ከምዘለውን ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ድማ ምርመራ ይካየድ ከምዘሎን ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%A4%E1%8A%95%E1%88%BB%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%8D-%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%8B%9D-%E1%89%B5%E1%8C%89%E1%8B%93%E1%8B%9D-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%89%B6%E1%89%A1%E1%88%B5-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%9B-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B-%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%8C%92-9-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/4707881.html"} {"headline":"ኤርትራዊ ፕሮ. ኣስመሮም ለገሰ ካብ አዲስ አበባ ዩኒቨርሲቲ ናይ ክብሪ ማዕረግ ዶክትሬት ተዋሂብዎም","content":"ካብ ሃርቫርድ ዩኒቨርሲቲ ብኣንትሮፖሎጂ ብዶክተረይት መዓርግ ዝተመረቑ ፕሮፈሰር ኣስመሮም ለገሰ፡ ኣብ 1973፡ “Gadaa: Three Approaches to the Study of African Society” ዝብል ዓቢይ-መሰረት ዘንጸፈት መጽሓፍ ጽሒፎም። ኣብ 2000 ድማ `Oromo Democracy: An Indigenous African Political System\"ዝብል ካልኣይ መጽሓፎም ኣሕቲሞም። ድሕሪ 20 ዓመታት ኣብ`ዚ ሰሙን`ዚ ናብ ኢትዮጵያ ዝተመልሱ ፕሮፈሰር ኣስመሮም፡ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ፡ ናይ ክብሪ ዶክተረይት ሂብዎም። ምስ ፕሮፌሰር ኣስመሮምን፡ ካብ መስረቲ ናይ ኦሮሞ ነጻነት ግንባር (ኦነግ) ኣቶ ለንጮ ለታ ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8D%95%E1%88%AE-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%88%88%E1%8C%88%E1%88%B0-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%89%A8%E1%88%AD%E1%88%B2%E1%89%B2-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%AA-%E1%88%9B%E1%8B%95%E1%88%A8%E1%8C%8D-%E1%8B%B6%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%88%AC%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8B%8B%E1%88%82%E1%89%A5%E1%8B%8E%E1%88%9D\/4707777.html"} {"headline":"ስነ ስርዓት ቀብሪ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ግርማ ወልደጊዮርጊስ ሎሚ ተፈጺሙ","content":"ስነ ስርዓት ቀብሪ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ግርማ ወልደጊዮርጊስ ሎሚ ኣብ አዲስ አበባ መንበረ ጸባኦት ቅድስት ስላሰ ካቴድራል ተፈጺሙ። ፕረዚደንት ግርማ ወልደጊዮርጊስ ኣብ መሪሕነት ኣብ ዝነበርሉን ቅድሚኡ ዝነበረ ጉዕዞ ህይወቶም ዓብይ ኣበርክቶ ከምዝገበሩ ኣብቲ ስነ ስርዓርት ቀብሪ ተገሊጹ። ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ንኢትዮጵያ ን12 ዓመታት ብፕረዚደንትነት ዘገልገሉ ፕረዚደንት ግርማ ወልደጊዮርጊስ ፕረ. ሳህለወርቅ ዘውዱ፡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድን ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲን ኣብ ዝተረኽብሉ ሎሚ ተኻይዱ’ሎ። ፕረዚደንት ግርማ ወልደጊዮርጊስ ብተሓላቂ ሓለዋ ከባቢ ስርሓት ሰናይ ግብሪን ዝፍለጡ ዓበይቲ ሃገራዊ ስርሓት ከምዝበርኽቱ ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ተገሊጹ። ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ዘስምዖ መደረ ንሓላፍነት ፕረዚደንትነቶም ብምጥቃስ መጸዋዕታ ኢትዮጵያ ዝተቐበሉ አቦ ክብላ ገሊጸኖም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%89%A5%E1%88%AA-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8C%8D%E1%88%AD%E1%88%9B-%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%8B%B0%E1%8C%8A%E1%8B%AE%E1%88%AD%E1%8C%8A%E1%88%B5-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%99\/4707642.html"} {"headline":"ራብዓይ ጉባኤ ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ኢህወደግ አብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ","content":"ራብዓይ ጉባኤ ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ኢህወደግ አብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ።ኣብቲ ጉባኤ ወይዘሮ መሰረት መስቀሌ ኣደ መንበር እቲ ሊግ ብምዃን ተመረፂን። ራብዓይ ሱርዕ ጉባኤ ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ኢትዮጵያ ህዝብታት ወያናይ ዴሞክራስያዊ ግንባር(ኢህወደግ) ንሰለሰተ መዓልታት ኣብ ከተማ መቐለ ክካየድ ዝቐነየ ትማሊ ተዛዚሙ። ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ኣደ መንበር እቲ ሊግ ዝነበራ ሚንስተር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ኣብ ዘስምዕኦ ዘረባ ኣብ ኢትዮጵያ ተመዝጊቡ ዝበልኦ ቁጠባዊ፣ ማህበራዊን ፖለቲካዊ ለውጥታት ደቂ ኣንስትዮ ልዑል ኣበርክቶ ነይርዎን ኢለን። ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ተስፋን ስግኣት ኣላ ዝበላ ወይዘሮ ሙፈርያት ከም ሃገር ዝርኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ ደቂ ኣንስትዮ ግደአን ከበርክታ ይግባእ ኢለን። ኣብ ዘረበአን ብፍላይ ኣብ ሞንጎ ኣመራርሓ ዘሎ ንሕንሕ ህዝቢ ይጎድእ ምሃለዉ ገሊፀን። ህዝቢ ከም ህዝቢ ንሓድሕዱ ፅላኣት የብሉን ዝበላ ወይዘሮ ሙፈርያት ህዝቢ ካብ ፍቕሪ ወፃኢ ኣጀንዳ የብሉን ኢለን። \"ነባእሶ ዘለና ንሕና ኣመራርሓ ኢና ነቲ ህዝቢ ንገደፎ\" ኢለን። ናይ ኽብሪ ጋሻ እቲ ጉባኤ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ደቂ ኣንስትዮ ንነፃነትን ዴሞክራሲን ኣብ ዝተገበረ ቃልሲ ናይ ባዕለን ግደ ኣበርኪተን እየን ኣብ ልምዓትን ህንፀት ሃገርን እውን ልዑል ኣበርኽቶ ኣለወን ኢሎም። \"ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብዛ ሃገር ንዝተመዝገቡ ለውጥታት ናይ ሓባር ንዝተፈፀሙ ስሕተታት ግና ናይ ህወሓትን ተወለድቲ ትግራይን ጥራሕ ተገይሩ ይግለፅ ኣሎ\" ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን \"እዚ ኣካይዳ ድማ ኣብ ክንዲ ተኸባቢርካ፡ሓቢርካ ምንባር ተቐያይምካ ተፃሊእኻን ንምብትታን ዘቀላጥፍ እዩ\" ብምባል ተዛሪቦም። ሰላምን ምርግጋእን ንምስፋን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ደቂ ኣንስትዮ ፃዕረን ከሐይላ እውን ፀዊዖም። ኣደ መንበር እቲ ሊግ ዝነበራ ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ጊዜ ስርሐን ብምዝዛሙ ሓዳሽ ኣደ መንበር ተመሪፀን። ብመሰረት እዚ ወይዘሮ መሰረት መስቀሌ ካብ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ደቡብ ኢትዮጵያ (ደኢህዴን) ኣደ መንበር ወይዘሮ መስከረም ኣበበ ድማ ካብ ኣምሓራ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ (ኣዴፓ) ምክትል ደዶ መንበር ብምዃን ተመሪፀን። ወይዘሮ መሰረት መስቀሌ ኣብ ዘስምዕኦ ዘረባ ሰላም ንምስፋን ፣ ተጠቃሚነት ደቂ ኣንስትዮ ፣ ንሓድነት ሃገርን እና ምቅርራብ ህዝብታት ከምዝሰርሓ ተዛሪበን። እቲ ኣብ ከተማ መቐለ ከተማ ክኻየድ ዝቐነየ ጉባኤ ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ኢህወደግ \"ዝተወደበ ተሳትፎን ተጠቃሚነትን ደቂ ኣንስትዮ ንኹለመዳያዊ ሃገራዊ ብልፅግና\" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ተኻይዱ ። እቲ ጉባኤ በዓል ሸውዓተ ነጥብ መግለፂ ቅዋም ብምውፃእ ዝተዛዘመ ኮይኑ ቐፃሊ ጉባኤ እቲ ሊግ ኦሮሞ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ (ኦዴፓ) ከሰናድኦ ተወሲኑ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AB%E1%89%A5%E1%8B%93%E1%8B%AD-%E1%8C%89%E1%89%A3%E1%8A%A4-%E1%88%8A%E1%8C%8D-%E1%8B%B0%E1%89%82-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AE-%E1%8A%A2%E1%88%85%E1%8B%88%E1%8B%B0%E1%8C%8D-%E1%8A%A0%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/4707551.html"} {"headline":"ነበርቲ ሞያሌ አባላት ሓይልታት ምክልካል 7 ሰባት ቐቲሎም ክብሉ ይኸሱ","content":"ኣብ ሞያሌ ብሰራዊት ምክልካል ሸውዓት ሰባት ተቐቲሎም ክብሉ ነበርቲ’ታ ከተማ ሓቢሮም። ምምሕዳር ዞባ ቦረና ብወገኑ መበገሲ’ቲ ቅትለት ንምጽራይ አባላት ሓይልታት መከላከሊ ይሓትት ከምዘሎ ገሊጹ’ሎ። እቲ ቅትለት ንምንታይ ከምዝተፈጸመ ዛጊት ዝተፈልጠ ነገር ከምዘየለ ፡ እንተኾነ ሎሚ ዕጡቓት አባላት ሓይልታት ምክልካል ኣብታ ከተማ ንከይንቀሳቀሱ ምእጋዱ ኣፍሊጡ’ሎ። ኣብ ከባቢ ሞያሌ ዘሎ ጎንጺ ፈደራል ሓይልታት ምክልካል ብምእታው እቲ ኩነታት ይረጋጋእ ከምዘሎን’ቲ ጎንጺ ደው ከምዝበለ በዓል ስልጣን ጸጥታ ክልል ሶማሌን ነበርቲ’ቲ ከባቢን ይገልጹ ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%9E%E1%8B%AB%E1%88%8C-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%AB%E1%88%8D-7-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%90%E1%89%B2%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8B%AD%E1%8A%B8%E1%88%B1\/4706125.html"} {"headline":"ብዛዕባ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ብዕጡቓት ይፍፀም ዘሎ መጥቓዕቲ","content":"ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ፍሉይ ወረዳ ማኦ-ኮሞ ጣቢያ ቨንሸባ ኣብ ልዕሊ ኢንቨስተራት ሕርሻ መጥቓዕቲ ተፈፂሙ ዕጡቓት ንሸውዓተ ሰራሕተኛታት ሕርሻ ዓፊኖም ከምዝወሰዱ፣ካልኦት ካብቲ ዓፈና ዘምለጡ ሸውዓተ ሰራሕተኛታት ድማ ኣብ ዱር ተሓቢኦም ከምዝርከቡ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም። ናይቲ ክልል ምምሕዳር መጥቓዕቲ ምፍፃሙ ብምርግጋፅ ፈፀምቱ ናይ ኦነግ ኽዳንን ኣርማን ዝለበሱ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት እዮም ክብል ከሎ ኦነግ ግን ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ኣካል መጥቓዕቲ ናይ ምፍፃም ዕላማ የብሉን፤ኣብቲ ከባቢ እውን ኣይንቀሳቐሰን ኢሉ’ሎ። ብመሰረት ካብቲ መጥቓዕቲ ዘምለጡ መሰኻኽር ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት 7 ታሕሳስ 2011 ዓ\/ም ኣጋምሸት ዕጡቓት ብሃንደበት ንናይ ሕርሻ ማእኸል ብምውራር መጥቓዕቲ ምፍጻሞም ይገልጹ። ሕግን መንግስትን ኣብዘየለሉ ሽመይ ምግላፀይ ኣፀጋሚ እዩ ዝበሉ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ፍሉይ ወረዳ ማኦ-ኮሞ ጣቢያ ቨንሽባ ኣብ ኢንቨስመንት ሕርሻ ዝተዋፈረ ኢንቨስተር ሕርሽኡ \"ወርዒ ልምዓት ሕርሻ’’ ከምዝብሃልን ካብ ከተማ ኣሶሳ ኣስታት 115 ኪሎ ሜትር ሪሒቑ ከምዝርከብ ይገልፅ። ነቲ ኢንቨስተር፣ተሓቢኦም ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ናይቲ ሕርሻ፣መግለፂ ሰበስልጣን ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣መልሲ ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ዝሓዘ ድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-benshangul-gumuz-region-mao-and-komo-wereda-attack\/4706011.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ ሞያሌ ብዝቕጽል ዘሎ ግጭት ልዕሊ 40 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ከተማ ሞያሌ ብዕጡቓት ሶማሌ ዝተጀመረ መጥቓዕቲ ደው ከምዘይብለ ነበርቲ ገሊፆም።ታሸዓይ መዓልቲ ብዝቐፀለ መጥቓዕቲ ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 40 ሰባት ሞይቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ቆሲሎም፣ ካል ኦት ብኣሽሓት ዝግመቱ ነበርቲ እታ ከተማ ድማ መንበሪኦም ገዲፎም ከምዝተሰደዱን ምምሕዳር እታ ከተማ ኣፍሊጡ። ነቲ መጥቓዕቲ ዝፍፅምዎ ዘለው ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ሶማሌ ዝነበሩን ዕጡቓት ኣል-ሸባብን ምዃኖም ነበርቲ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም። ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ናይሮቢ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ከተማ ሞያሌ መጥቓዕቲ ፈፂምና ክብሉ ዕጡቓት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዘውፅኡዎ ቪዲዮ ንክትዛረቦ እውን ዘስካሕክሕ ተግባር ተፈፂሙ’ሎ ክብል ሓደ ነባሪ እታ ከተማ ኣረጋጊፁለይ ይብል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%9E%E1%8B%AB%E1%88%8C-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%95%E1%8C%BD%E1%88%8D-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-40-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/4704665.html"} {"headline":"'ኤርትራዊያን ካብ ምዕባለ ትግራይ ንክቋደሱ ይስራሕ ኣሎ' ኢለን ወ\/ሮ ልያ ካሳ","content":"'ሕቶ መንነት ወልቃይትን ራያን ኣሎ'ዶ ኣይፋሉን ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ኣብ ባይታ ናብ'ቲ ህዝቢ ወሪድካ ምርግጋጽ ከምዝካኣል' ዝገለጻ ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝቢን መንግስቲን ትግራይ ወ\/ሮ ልያ ካሳ 'ዕላማ'ቶም ዝላዓሉ ሕቶታት ኮነ ኢልካ ናይ ትግራዋይ መንነት ንምድኻም'ዩ፣ ሎሚ'ኳ ሕልፍ ኢሉ ሕቶ መርየት ይኾን'ሎ' ኢለን። 'ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ'ዚ ቀረባ እዋናት ይኽሰት ዘሎ ዕግርግራት ወጻእተኛ ኢድ ኣኣታውነት ከምዘለዎ ፍሉጥ'ዩ' ዝበላ እተን ወሃቢት ቃል 'ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዕብየት ዘመዝገበ ልምዓታዊ መንግስቲ ንምድኻም ዝዓለመ'ዩ'ውን' ይብላ። 'መራሒ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዛላምበሳ ኣትዮም ነይሮም'ዮም' ዝበላ ወ\/ሮ ልያ 'ከምመጠን ትግራዋይ ሓደ መዓልቲ ንመቐለ ምምጸኦም ዘይተርፍ'ዩ ንሕና'ውን ብሓጎስ ክንቅበሎምን ክነጋይሾምን ተስፋ ኣለኒ' ኢለን። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/liya-kassa-tigray-communication-head-talked-to-voa-tigrigna-part-2\/4704554.html"} {"headline":"ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ዝረአ ግጭት ንምፍታሕ ዝዓለመ ዘተ ተኻይዱ","content":"ኣብ ዙሪያ ግጭት ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ጠሚቱ ላዕለዎት ሰበስልጣን ተሳገርቲ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ዝተሳተፍሉ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ክካየድ ዝቐነየ ኣኼባ ተዛዚሙ። በይነ መንግስታዊ ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ \/ኢጋድ\/ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብዝለኣኾ መግለፂ ላዕለዋይ ሰበስልጣን ክልቲኦም መንግስታት ዘካየድዎ ምኽክር ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ሶማሊያን ከተማ ሞያሌ፣ኣብ ክልል ዶቡብ ኦሞ፣ዳስነችን ኛጋቶ ቱርካና ኮሪደራት ነባሪ ሰላም ንምስፋን፣ምርግጋፅ ድሕነትን ናይ ቀጠና ቁጠባዊ ምዕባለን ዝምልከት ከምዝነበረ ኣፍሊጡ’ሎ። ኣብ ከባቢ ዶብ ዝነብሩ ማሕበረሰባት መብዛሕቲኦም እንስሳት ብምርባሕ ዝናበሩ ብምዃኖም ብሰንኪ መግሃጫን ማይን ግጭት ከምዝፈጥሩ እቲ ዜና ይሕብር። ብቲ ከባቢ ዝካየድ ዘይሕጋዊ ዝውውር ኣፅዋርን ኮንትሮባንድ ንግድን እቲ ህዝቢ ብሰላም ከይነብር ካብ ምግባሩ ብተወሳኺ ንምጥፋእ ህይወት ሰባትን ከቢድ ጉድኣትን ምኽንያት ኮይኑ እዩ ፀኒሑ። ብመሰረት ዝወፀ ትልሚ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ግጭት ደው ንምባል፣ካብ ቤት ንብረቶም ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ረድኤትን ሓገዝን ብምሃብ ናብ መነባብኦም ምምላስ ዝብል ስምምዕ እውን ዝሓዘ እዩ ይብል ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%B6%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%AC%E1%8A%95%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%8A%A0-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%88%95-%E1%8B%9D%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%98-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/4704439.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ናብ ቤት ጽሕፈት ቀ\/ሚ ዘምርሑ ወታሃደራት ካብ 5 ክሳብ 14 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪድዎም","content":"ወታደራዊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ናብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ዘምርሑ 66 ወታደራት ወታደራዊ ሕጊ ብምጥሓስ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ 14 ዓመታት ከምዝተፈርዶም ሰበስልጣን ገሊፆም። ወታደራዊ ዩኒፎርም ዝተኸደኑ 200 ወታደራዊ ምስ ዕጥቖም 20 ጥቅምቲ 2018 ናብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ብምኻድ ምስ ዶ\/ር ኣብይ ተራኺቦም።መንግስቲ ናይ ደሞዛ ወሰኽ ንምሕታት እዮም መፂኦም ክብል ገሊፁ ነይሩ። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ምስቶም ወታደራት ስፖርት እናሰርሑ ብመንግስታዊ ቴሌቪዥን ዝተርኣዩ ክኾኑ ከለው ፀኒሖም ግን ናይቲ ጉጅለ መራሕቲ እከይ ዕላማታት ብምሓዝ ነቲ ለውጢ ደው ንምባል ዝሃቀኑ እዮም ኢሎም ገሊፆም።ሮይተርስ ዘውፅኦ ዜና ሽሞም ዘይተጠቕሱ ኣባላት እውን ከይቐትልናዮ ኣምሊጡና ኢሎም ክብሉ ምስምዖም ቀዳማይ ሚንስትርኣብይ ተዛሪቦም ነይሮም ይብል። ሓላፊ ዳይሬክቶሬት ወታደራዊ ቤት ፍርዲ ኮነሬል መሸሻ ኣረዳ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ ቃል እቲ ወታደራዊ ቤት ፍርዲ ንሓደ ተኸሳሲ 14 ዓመታት ክፈርዶ ከሎ እቶም ዝተረፉ 65 ድማ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ 13 ዓመታት ተፈሪዱዎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8C%BD%E1%88%95%E1%8D%88%E1%89%B5-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8B%98%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%91-%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-5-%E1%8A%AD%E1%88%B3%E1%89%A5-14-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%AA%E1%8B%B5%E1%8B%8E%E1%88%9D\/4704413.html"} {"headline":"ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝጠመተ ዘተ ኣብ መቐለ ዩኒቨርሲቲ ተኻይዱ","content":"ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝጠመተ መድረኽ ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበት ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ። ኣብቲ መድረኽ ነባር ኣመራርሓ፣ ፍሉጣት ሰባት፣ ካብ 15 ተቓወምቲ ውድባት ዝተወከሉ ኣመራርሓ እተን ወድባትን ካልኦት ዕዱማትን ተሳተፍቲ ኮይኖም እዮም። ብዩኒቨርስቲ መቐለ ተዳልዩ ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ኣብ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖምያዊን ዓውድታት ኣመዝጊባቶም ዝበሃሉ ለውጥታትን የጋጥሙዎ ከምዘለዉ ዝግለጹ ዕንቅፋትን ተዘትይሎም እዩ። ብፍላይ ኣብዛ ሃገር ንዝተርኣየ ዘይምርግጋዕ መበገሲ እዮም ኢሎም ነባር ኣመራርሓ ኢህወደግ ኣይተ በረከት ስምኦምን ዘቅረብዎም 5 ነጥብታት መዘራረቢ ኮይኖም እዮም። . ኣብዛ ሃገር ልዕልነት ሕጊን ዘተኣማምን ሰላም ክሰፍን ዘይምግባሩ: ፅንፈኛ ብሄርተኝነት ምስፈኑ፡ ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ሕቶታት መናእሰይ ክምለስ ዘይምኻኣሉ; ምትእትታው ናይ ወጻኢ ሓይልታት: ሓይልን ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ዘይምህላዉ ዝብሉ እዮም። ነዚኦም ፀገማት ንምፍታሕ ፈለማ ብደረጃ ሃገር ሰፊሕን ዓሙቕ ዘተ ምክያድ የድሊ ኢሎም ኣይተ በረከት። ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ነባር ኣመራርሓ ኢህወደግ ኣይተ ስብሐት ነጋ ምትእትታው ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣብ ዝብል ብዝልዓለ ደረጃ ከምዘሎ የብርሁ። \" ብዛዕባ ኢድ ኣታወነት ወፃኢ ኣብ ቤት ምኽሪ ኢህወደግ ይግለፅ ዝነበረ ኣሜሪካ ኣቦ መንበር ኣይትመርፀልናን ዝብል እዩ። ኣብ ከይዲ መረፃ ዶክተር ኣብዩ ንሳኻ ኣይተ በረከት እውን ተቓዊምካ ነይርካ ካልኦት እውን ካብ ህወሓት ዝተቓወሙ ነይሮም። ምኽንያቱ ከምኡ ይበሃል ዝነበረ እቶም ኣሜሪካውያን ኣቦ መንበር ከምርፁ ይጓየዩ ነይሮም። ስለዚ ኢድኣታወነት በዚ ደረጃ ይረአ ነይሩ\" ክብሉ ተዛሪቦም። ካብ ቤት ፅሕፈት ማእከላዊ ኮሚቴ ኦዴፓ ተወክሎም ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ኣይተ ቶሎሳ ዋቅጋሪ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ፀገም በዚ ሐዚ ዘሎ ኣመራርሓ ዘይኮነስ ቅደሚ ሐዚ ብዝሰረቑን ሕጊ ዝጠሓሱ ኣከብቲ ክራይ ሕመቖም ንምሕባእ ይፍፅምዎ ዘለዉ እዩ ኢሎም። ብዛዕባ ምትእትታው ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣሎ ዝተብሃለ ድማ እንትገልፁ\"ምትእትታው ኣሎ ዝበሃል ጌጋ እዩ። ኢትዮጵያ ፖሊሲ ርክብ ወፃኢ ኣለዋ። ምስ ዝማዕባለ ሃገራት ይኹን ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ትገብሮ ርክብ ናይ ባዕላ ረብሓን ልኡላውነትን ማእኸል ዝገበረ እዩ። ምትእትታው ኣሎ’ ይብሉ ዘለዉ ኢትዮጵያ ምስ ዝተፈላለዩ ሃገራት ንትገብሮ ርክብ ዘይዋሓጠሎም ኣካለት እዮም እዚ ክስተኻኸል ይግባእ\" ክብሉ ገሊፆም። ኣብቲ ዘተ ነባራት ኣመራርሓ፣ ምሁራን፣ መራሕቲ ሃይሞኖት፣ ፍሉጣት ሰባት ካብ 15 ተቓወምቲ ወድባት ፖለቲካ ፓርቲ ተወከልቲ ተሳቲፎም እዮም። No media source currently available ተሳተፍቲ መድረኽ ከምዚ ዓይነት ሃገራዊ ዘተ ቐፃልነት ክህልዎ ካልኦት ዩኒቨርስቲታት እውን ተመሳሳሊ ዘተ ብምክያድ ንዘሎ ፀገማት መፍትሒ ንምንዳይ ሓገዝቲ ክኾኑ ይግባእ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8C%A0%E1%88%98%E1%89%B0-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%89%A8%E1%88%AD%E1%88%B2%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/4704136.html"} {"headline":"ፕረ. ኢሳያስ ምስ ልዑል ዓረብ ኢማራትስ ተራኺቦም: ተዘራሪቦም","content":"ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ልዑል ዓረብ ኢማራትስ ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ሎሚ ኣብ ኣቡ ዳቢ ተራኺቦም ኣብ ክልቲኣዊ ዝምድናን ምትሕብባርን ብሰፊሕ ምዝርራቦም ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሮም። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣብ ሶማልን ኬንያን ምክያዶም ይፍለጥ። ፕረዚደንት ኢሳያስን ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ምርግጋጽ ሰላምን ምርግጋእን ሶማል ንፈደራል መንግስቲ ሶማል ኣብ ዘበረክትዎ ሓገዝ ብሓባር ክሰርሑ ምስምምዖም ሚንስትር ዜና የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ገሊጾም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%8D%E1%8B%91%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%88%9B%E1%88%AB%E1%89%B5%E1%88%B5-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/4704107.html"} {"headline":"ፕረ. ኢሳያስን ፕረ.ፎርማጆን ታሪኻዊ ርክባት ንምሕያል ተሰማሚዖም","content":"ኣብ ዋና ከተማ ሞቓድሾ ዝተራኸቡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ፕረዚደንት ሶማል ሞሓመድ ዓብዱላሂ ሞሓመድ ፋርማጆን ኣብዘውፅኡ ሓባራዊ መግለፂ ኣብ ሓባራዊ ጉዳያት ብምዝታይ ናይ ክልቲአን ሃገራት ታሪኻዊ ርክባት ንምሕያል ተሰማሚዖም ይብል። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ 13ን 14ን ታሕሳስ 2018 ኣብ ሞቓድሾ ዑደት ኣብ ዝፈፀምሉ ምስ መዘንኦም ፕረዚደንት ፋርማጆ ብምዝታይ ኣብ ንግዲ፣ኢንቨስትመንትን ርክባት ህዝቢ ምስ ህዝብን ሓዊሱ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ኽልቲአን ሃገራት ንምትሕብባር ተሰማሚዖም ኣለው። እዪ መግለጺ ኣብ ሓባራዊ ልምዓት፣ምዕባለን ብልፅግናን እቲ ዞባ ጠሚቱ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ተፈጢሩ ዘሎ ሃውህው ንምሕያል ቅሩቡነቶም እውን ኣረጋጊፆም ይብል ። ሽበራን ድኽነትን ንምግጣም ኣድላይነትን ቀፃልነትን ኩለመዳያዊን ዝተዋደደን ኣገባብ ከምዘድሊ ክልቲኦም መራሕቲ ተሰማሚዖም ኣለው። ሓባራዊ ፍታሕ ዘድልዮም ብዙሓት ሓባራዊ ፈተናታት ኣብ ቅድሚኦም ከምዘለው ክልቲኦም መራሕቲ ኣፅንኦት ከምዝሃብሉ ዝገለፀ እቲ መግለፂ ኣብ ሕድ ሕድ ሃገራቶምን ብሓባር ንዘጋጥሙ ብድሆታትን ንምፍታሕ ሓባራዊ ዝምድናታቶምን ምድግጋፎም ንከሐይሉ ተሰማሚዖም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5%E1%8A%95-%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8D%8E%E1%88%AD%E1%88%9B%E1%8C%86%E1%8A%95-%E1%89%B3%E1%88%AA%E1%8A%BB%E1%8B%8A-%E1%88%AD%E1%8A%AD%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%AB%E1%88%8D-%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%88%9B%E1%88%9A%E1%8B%96%E1%88%9D\/4701297.html"} {"headline":"ኢጋድ ኣብ ሞያለ ቱርካና ዘጋጥም መጥቓዕቲ ንቁጠባ'ቲ ከባቢ የዛሕትሉ ከምዘሎ ገሊጹ","content":"ኢጋድ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ሞያለን ቱርካናን ብዝፍጠር ተደጋጋሚ ግጭት ኣብ ናይቲ ከባቢ ቁጠባዊ ዕብየት ዝሕታለን ውጥረትን ክሰፍን ገይሩ’ሎ ይብል ። ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ነባሪ ሰላም ንምርግጋፅ ዓሊሙ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ መንግስታዊ ሰበስልጣን ክልቲአን ሃገራት ይሳተፉ ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%8C%8B%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9E%E1%8B%AB%E1%88%88-%E1%89%B1%E1%88%AD%E1%8A%AB%E1%8A%93-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A5%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8A%95%E1%89%81%E1%8C%A0%E1%89%A3-%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2-%E1%8B%A8%E1%8B%9B%E1%88%95%E1%89%B5%E1%88%89-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4701257.html"} {"headline":"ኣብ ሞያለ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ 10 ምሟቶም ተገሊጹ","content":"ካብ ክልል ኢትዮጵያ ሶማሊያ ዝመፅ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ከተማ ሞያለ ይፍፀምዎ ዘለው መጥቓዕቲ ንንሻድሻይ መዓልቲ ከምዝቐፀለን ሎማ ዓርቢ እውን ዕጡቓት ካብ 10 ሰባት ንላዕሊ ከምዝቐትሉን ነበርቲ ገሊፆም። ካብቶም ዝተቐትሉ ኣማሓዳሪ ቀበሌ 02 ዝኾኑ ኣቶ ዋቆ ላኬ ምዃኖም ብምሕባር እቲ ቶኽሲ ብምቕፃሉ ብዝሒ ናይ ዝተቐትሉ ንምፍላጥ ከምዘይክኣል እቲ ፀብፃብ ይሕብር። ካብ ክልል ሶማሊያ መብርሂ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9E%E1%8B%AB%E1%88%88-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-10-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4701247.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ሰራዊታ ካብ ዶብ ኤርትራ ትስሕብ ከምዘላ ትገልጽ","content":"ወታሃደራዊ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ኢትዮጵያ ሰራዊታ ካብ ዶብ ኤርትራ ትስሕብ ከምዘላ ሎሚ ዓርቢ ገሊጾም። ኣዛዚ ምዕራባዊ እዚ ጀነራል አስራት ደኒሮ ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት “ልዑል ምምሕያሽ ምርኣዩን ብወገን ኤርትራን ዝጸንሓ ስግ ኣት ብምጉዳሉን ሰራዊታ ኣብቲ ዶብ ምጽንሑ ኣድላይ ኮይኑ ከምዘይተረኸበ” ገሊጾም። እቶም ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ ነዚ ዝገለጹ ምስ ፋና ብራኦድካስቲንግ ኤጄንሲ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ‘ዩ። ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናብ መዝነት ካብ ዝመጹ ንደሓር ኣብታ ሃገር ካብ ዝተአታተው ለውጢታት ገለ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝጸንሓ ውጥረት ኣብ ወርሒ ሓምለ ብስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምዝዛሙ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት መጉዓዝያ መሬትን በረራን ከምዝጀመረን ኤምባሲ ሃገራት ከምዝኸፈታ ይፈልጥ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B3-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%B6%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%B5%E1%88%B5%E1%88%95%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8B-%E1%89%B5%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%BD\/4701205.html"} {"headline":"ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ዘሎ ርክብ ንምሕይል ፎረም ሰላም ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ተኻይዱ","content":"ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ዘሎ ርክብ ንምሕይል ዝዓለመ ፎረም ሰላም ትማሊ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ተኻይዱ። ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ህዝብታት ጎንፂ ንምፍጣር ይግበር ኣሎ ዝተብሃለ ምንቅስቓስ ብሰላም ንምፍታሕ ዝከኣለሉ መንገዲ ኣብቲ ፎረም ተዘትዩ። “ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ሓቢሮም ዝነበሩ ብብዙሕ ነገራት ዝመሳሰሉ እዮም\" ይብሉ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደቡብ አፍሪቃ ኣብ ኣፈታትሓ ጎንፂ መፅናዕቲን ምርምርን እናከየዱ ዝርከቡን፤ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ድማ መምህር ስነ ፅሑፍ ዶክተር ገብረየሱስ ተኽሉ ። ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ዘመሳስልዎም ቁም ነገራት ንጎኒ እናተደፍኡ፣ ኣፈላላዮም ብዝበለፀ ጎሊሆም ክወፁ እናተገበረ ሐዚ ንክልቲኦም ህዝብታት ናብ ዘይጠቅም ጎንፂ ከምርሑ ይግበር ኣሎ ኢሎም። ኣብቲ መድረኽ ዘረባ ዘስምዑ ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርስቲ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት “ዩኒቨርስቲታት ናይ ዝተፈላለዩ ብሄር ተወለድቲ ዝሓዙ ብምዃኖም ነኒባዕሎም ዝላለይሉ ሓድነቶም ዘሕይል እዩ\" ኢሎም። ዝርኣዩ ዘይምርድዳእ ናብ ናይ ብሄር ጎንፂ ንምስግጋር ዝግበር ምንቅስቓስ ይረአ ኣሎ ዝበሉ ፕሮፌሰር ክንደያ ከምዚ ዓይነት መድረኻት ሰላም ክሰፍን ንምግባር ኣበርክቶ ኣለዎም ኢሎም። ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ህዝብታት ዝፀንሐ ርክብ፣ ኣብዚ ሐዚ እዋን የጋጥሙ ዘለዉ ፈተናታት ንዘጋጠሙ ፈተናታት ድማ ብዘይ ጉድኣት ንምስጋር ብናይ ሰላም ተሟጋታይ ኣካይዳ ብምጥቃም ክግበሩ ዝኽእሉ ፃዕርታት እወን ኣብቲ ፎረም ተዘትይሎም እዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9E%E1%8A%95%E1%8C%8E-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%88%AD%E1%8A%AD%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%AD%E1%88%8D-%E1%8D%8E%E1%88%A8%E1%88%9D-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%89%A8%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/4701057.html"} {"headline":"ሰመጉ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝተፈጸሙ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ እኹል ኣይኮነን ይብል","content":"ኣብ ዝሓለፍ 27 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈፀሙ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ይግልፅ ካብ ዘሎ ዝኸፍአ እዩ ክብል ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት\/ሰመጉ\/ ኣፍሊጡ። ተጠባባቒ ዋና ዳይሬክተር ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት(ሰመጉ) ኣቶ ቢኒያም ኣባተ ‘’ስቅያት ፍትሒ’’ ብዝብል ኣርእስቲ ብቕድሚ ትማሊ ሶሉስ ብመንግስታውን ንመንግስቲ ቅረበት ዘለወን መደብራት ቴሌቭዥን ዝቐረበ ዶክመንተሪ ፊልም ምሉእ ስእሊ ዘስካሕክሑ ተግባራት ኣየርእዩን ኢሎም። ስፍሓት መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ን27 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሓ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዘርእይ ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ዝቐረበ ‘”ስቅያት ፍትሒ’’ ብዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበ ዶክመንታሪ ፊልም ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ብቴሌቪዥን ከምዝረአይዎ ተገሊጹ። ንምእማን ዝኸብድ ናይ ጭካነ ማሕረምቲ ዝተፈፀሞም፣ብምቕጥቓጥን ካልኦት ኣገባባትን ክሳብ ኣካል ምጉዳል ዘጋጠሞም ዜጋታት ስቅያቶም እናነብዑ ብኣንደብቶም ገሊፆም ኣለው። ብዛዕባ እቶም መስቀይቲ ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ዝተፈላለዩ መግለፅታት ከውፅእ ዝፀንሐ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት\/ሰመጉ\/ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝተፈፀመ ስቓይ ኣብቲ ፊልም ካብዝተገልፀ ዝኸፍአ እዩ ይብል። ተጠባባቒ ዋና ዳይረክተር ሰመጉ ኣቶ ቢኒያም ኣባተ ከምዚ ይብሉ። “ይፍፀሙ ዝነበሩ ዝርዝር ጉዳያት፣ዓይነታት ስቅያት፣ብዝተወሰነ መልክዑ ከም ፅቡቕ መርኣያ ክርአ ይኽእል።ብርግፅ ካብዚ ዝኸፍኡ ተግባራት ይፍፀሙ ስለዝነበሩ ብናተይ ርእይቶን እምነትን እዚ ልስሉስ ኣቀራርባ እዩ።” ኣቶ ቢኒያም ብተወሳኺ ክሳብ ሎሚ ሃለዋቶም ዘይተፈለጠ ሰባት ስለዘለው ካብዚ ዝኸፍአ ስቅያት ዝተፈፀሞም ግዳያት ንሰመጉ ኣመልኪቶም እዮም።ካብዚ ዝኸፍኡ ብርክት ዝበሉ ተግባራት ስለዝተፈፀሙ እዚ ዝቐረበ መርኣያ ክብሃል ዝኽእል እዩ ኢሎም ። መንግስቲ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ብዝለዓለ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝተጥርጠሩ ውልቀሰባት ካብ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር የውልዕ ኣሎ። ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎምን እቲ ስጉምቲ ከምዝቕፅልን ተገሊፁ’ሎ። እዚ ናይ መንግስቲ ስጉምቲ ግቡእ ምዃኑ ዝገለፁ ተጠባባቒ ዋና ዳይሬክተር ኣቶ ቢንያን ኣባተ ምስ ዝወረደ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ግን ኣይመጣጠንን ኢሎም። “ኣይመጣጠንን፤ምኽንያቱ ኣብቶም ዝሓለፉ 27 ዓመታት ዝተፈፀሙ እዚኦም ጥራሕ ኣይኮኑን፤ወይ ሕዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣካላት ጥራሕ ዝፈፀሙዎም ኣይኮኑን።ኣብዝተፈላለዩ ክልላት እታ ሃገር ሰመጉ ንርእሱ ካብዞም ተፈፂሞም ዝተበሃሉ ብዝበለፀ ኣዚዮም ብዙሓት መረዳእታታት ኣኪቡ እዩ።” ብመንግስቲ ይውሰድ ዘሎ ስጉምቲ እኹል ስለዘይኮነ ካብዚ ንላዕሊ ክኸይድ ኣለዎ ኢሎም። “ኩሎም ዘጥፍኡ ዝሓወሰ እንተተኻኢሉ ድማ ነዚ ጉዳይ ዘፃሪ ገለልተኛ ኮሚሽን ብምጥያሽ ክፃረይን ተሓተቲ ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ኣለዎም።ስለዚ ክሳብ ሎሚ ዝተወስደ ፅቡቕ ነገር እንተኾነ እውን እኹል ግን ኣይንኮነን።” ኣብቲ ዝተመሓላለፈ ዶክመንታሪ ፊልም ዝተጠቕሱ ስቅያት መዘራረቢ ኮይኖም ቀፂሎም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%98%E1%8C%89-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%88%88%E1%8D%88-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%99-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%83%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%88%B5%E1%8B%B6-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%88%B5%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%8A%A5%E1%8A%B9%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8A%AE%E1%8A%90%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%8D\/4699528.html"} {"headline":"ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሕልፊ ምስ ትግራይ ካብ'ዚ'ከ ናበይ?","content":"ድሕሪ ምኽታም ኣሳሪ ሰነድ ሰላም፣ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዶባዊ ማዕጾአን ብወገን ዛላምበሳን ራማን ከምኡውን ብወገን ቡሬ-ዓሰብ ንትራፊክ ክፉት ካብ ዝኾን ኣስታት ሰለስተ ወርሒ ተቖጺሩ'ሎ። ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ናብ ንቡር ንምምላስ ብዙሕ ጻዕሪን ስራሕቲን ዘድልዮ'ኳ እንተኾነ ዛጊድ ዝተራእየ ዋሕዚ ሰባትን ማካይንን ልዕሊ ትጽቢት ብዙሓት ኮይኑ'ሎ። ኣጋይሽ ናይ ሎሚ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ'ውን ናብ'ዚ ብርኪ'ዚ ንበጽሕ ኢና ኢሎም ይግምቱ ከምዘይነበሩ ይዛረቡ። እንተኾነ 'እቲ ርክብ ናብ ንቡር ንምብጻሕ ቀዳማይ ክስራዕ ዘለዎ ጉዳይ ኣሎ፣ ንሱ'ውን ጉድይ ምሕንጻጽ ዶብ'ዩ' ይብል ኤርትራዊ ዳንኤል ብርሃነ። ኢትዮጵያ ሃይሉ ከበደ ብወገኑ 'እቲ መስርሕ ምሕንጻጽ ዶብ ክሳብ ዝፍጸም ህዝብታት ክልቲኤን ሃገራት፣ ኣብ'ተን ዝተዳመዩለንን ዝተቐብሩለንን ከተማታትን ቁሸታትን ከይተረፈ ልምዓታዊን ሓባራዊን ፕሮጀክታት ሓንጺጽና ንብገሰሉ እዋን'ዩ ዘድልየና' ይብል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/eritrea-ethiopia-peace-deal-rama-adikuala-door-opend-then-what-daniel-brhane-hailu-kebebe\/4698056.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ድኻን ሃፍታምን ኣፈላላይ ሰፊሑ ይብል ሓደ መፅናዕቲ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝሓለፉ 16 ዓመታት በዝሒ ኣብ ትሕቲ ፀፍሒ ድኽነት ዝነበሩ ዜጋታት ዝነከየ እንተኾነ እውን ኣብ መንጎ ድኻን ሃፍታምን ዝነበረ ኣፈላላይ ምስፍሑ ናይ ሕቡራት መንግስታት ፕሮግራም ልምዓት \/UNDP\/ ፀብፃብ ሰብኣዊ ልምዓት ኢትዮጵያ 2018 ሎሚ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ መፅናዕቲ ኣፍሊጡ። እቲ መፅናዕቲ ፅፈት ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ትሑት ምዃኑ እውን ሓቢሩ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/the-gap-amnong-poor-and-rich-widened-in-ethiopia\/4697942.html"} {"headline":"ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሶማል ዝቐረበ ክሲ ተሰሪዙ","content":"አባላት ፓርላማ ሶማል ብሰንበት ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዲላሂ ካብ መዝነቶም ክወርዱ ዝብል ናብ ፓርላማ’ታ ሃገር ዘቕረብዎ ክሲ እኹል ድምጺ ብዘይምርካቡ ሎሚ ሶሉስ ከምዝተሰረዘ ጸሓፊ ፓርላማ ዓብደልከሪም ሓጂ ዓብዲ ቡሃ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም። “ 14 አባላት ፓርላማ ኣስማቶም ብጌጋ ኣብ ስም ዝርዝር ነቲ ክሲ ከምዝቐረበ ዝሕብር መግለጺ በጺሑና አሎ”ዝበሉ ጸሓፊ ፓርላማ ዓብደልከሪም ሓጂ ዓብዲ ቡሃ “እቶም አባላት ፓርላማ ዘቕረብዎ ክሲ ኣይሰሓብዎን እንተኾነ ኣስማቶም ዝተዘርዘረ ኩላቶም ነቲ ሰነድ ከምዘይፈረሙ ግን ኣረጋጊጾም ኣለው” ኢሎም። No media source currently available ስለዝኾነ ድማ ቁጽሪ’ቶም ነዚ ክሲ ዘቕረቡ አባላት ፓርላማ ካብ 92 ናብ 78 ምውራዱን እዚ ድማ ነቲ ክሲ ብፓርላማ’ታ ሃገር ክረአ ዘድልዮም ድምጺ ከምዘይረኸበ ጸሓፊ ፓርላማ ዓብድልከሪም ሓጂ አብዲ ቡሃ ወሲኾም ኣረዲኦም ኣለው። ብመሰረት ቅዋም’ታ ሃገር ክሲ ብፓርላማ’ታ ሃገር ክረአ ድምጺ 92 አባላት ፓርላማ ክረክብ ኣለዎ። ዝቐረበ ክሲ ተግባራዊ ክከውን ደገፍ ክልተ ሲሶ ካብ 275 አባላት ፓርላማ ክረክብ አለዎ። እቲ ንፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ዝቐረበሎም ሕሲ ንቅዋም’ታ ሃገር ብምጥሓስ ምስ መንግስታት ወጻኢ ሃገራት ምስጢራዊ ስምምዕ የካይዱ ኣለው ዝብል እዩ። እቲ ክሲ ዝቐረበ ፕረዚደንት ፎርማጆ ኣብ ጉዳይ ምሕያል ቁጠባዊ ዝምድና ንምዝታይ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኤርትራን ኢሰያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ምርካብም እዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%88%A8%E1%89%A0-%E1%8A%AD%E1%88%B2-%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%88%AA%E1%8B%99\/4696075.html"} {"headline":"'ኣብ ትግራይ ኩሉ ሰሪሑ ዝነብረሉ ውሑስ ሰላም ተረጋጊጹ'ሎ' ኢለን ሓላፊት ቢሮ ርክብ መንግስቲን ህዝቢን ወ\/ሮ ልያ ካሳ","content":"‘ልዕልነት ሕጊ ንኩሉ ብማዕረ’ዩ ክሰርሕ ዘለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ’ ዝበለት ወ\/ሮ ልያ ካሳ ‘ዝኾነ ሰብ ብዘጥፈኦ ገበን ክሕተት ኣለዎ፣ እዚ ድማ ኣብ ኢህወዴግ ይኹን ኣብ ገምጋማት ብሄራዊ ውድባት ምስ ክራይ ኣካብነት ተኣሳሲሩ፣ ምስ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተኣሳሲሩ ዝራኣዩ ሽግራት ተነጺሮም ብተወኺ ኣብ ካልኦት ኣብያተ ዕዮ’ውን ከይተረፈ ዝኽሰቱ ግዕዝይና’ውን ተፈቲሾም ንኹሉ ብዝሓትት መልክዕ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ከምዝግባእ ናይ ኢህወዴግ ውሳነ’ዩ፣ ናይ ህወሓት ውሳነ’ውን እዩ’ ትብል ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ዝመርሕዎ መስርሕ ለውጢ ትዕንቅፍ’ያ እናተባሃለት’ያ ትሕመ’ሞ እስኪ ሪኢቶኺ ሃብና ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበላ። ንሳ ወሲኻ ‘ልዕልነት ሕጊ ይከበር ዝብል ናይ ኩላትና ሽኻል’ያ’ እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ሓደ ብሄር ትሰርሕ፣ ኣብ ልዕሊ ካልእ ብሄር ግን ዘይትሰርሕ ክትኮን ኣይግባእን’ እውን በለት ንሳ። ‘ተዘይኮይኑ ግን ሓደ ጊዜ መቐለ ምሽግ ኮይና ይብልዋ፣ ካልእ ጊዜ ካልእ ሽም ይህብዋ ስለዚ እዚ ኩሉ’ዚ ነቲ ትግራዋይ ኮነ ኢልካ ንምሽምቓቅ፣ ንምስኳን ነቲ ዝነበሮ ወርቃዊ ታሪኽ ንምህሳስ ዝግበር ጉያ ጉያ’ምበር ህዝቢ ትግራይ ንሌባ ዝሽከም ከምዘይኮነ ኣንዳዕዲዖም ይፈልጥዎ’ዮም’ ኢላ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/liya-kassa-tigray-communication-head-talked-to-voa-tigrigna\/4694779.html"} {"headline":"ሰመጉ- `ዝተጀመረ ጉዕዞ ለውጢ ንምቕፃል ዝሓለፈ ሽግር ብሕጋዊ ስርዓትን ዕርቅን ምስጋር አማራጺ የብሉን`","content":"ናይ ኢትዮጵያ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰል \/ሰመጉ\/ ዝተጀመረ ጉዕዞ ለውጢ ንምቕፃል ዝሓለፈ ሽግር ብሕጋዊ ስርዓትን ዕርቅን ምስጋር አማራጺ የብሉን ኢሉ።መንግስቲ ብሰንኪ ግጭት ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ዘድልይ ሰብኣዊ ረድኤት ከቕርብን ናብ ዝነበሩዎ መሊሱ ከጣይሶምን ሓቲቱ። ቅድም ክብል ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ዝነበረ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት\/ሰመጉ\/ መበል 70 ዓመት ዓለምለኸ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ምኽንያት ብምግባር ሎሚ ኣብዝሃቦ መግለፂ ንኽልተ ተፃባእቲ ዝበሎም ፍፃመታት ትኹረት ሂቡ’ሎ። እዚ በዓል ኣብዝኽበረሉ እዋን ኢትዮጵያ ብሓደ ወገን ንምምሕያሽ ሰብኣዊ ኩነታትን ዴሞክራሲያዊ ስርዓትን ዝለዓለ ፃዕሪ ኣብዝግበረሉ፣በቲ ኻልእ ወገን ድማ ነዚ እናተፈታተኖ ዝርከብ ሰፊሕ ሽግራት ኣጋጢሙዋ ይርከብ ይብል። ኣቦ መንበር ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ሰመጉ ኣቶ ኣምሃ መኮነን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገር ብሰንኪ ዝልዓሉ ግጭታት ብዙሓት ዜጋታት ካብ ናይ ንዓመታት ዝነበርሉ ከባቢ ተመዛቢሎም ኣብ ብዙሕ ሽግር ይርከቡ ይብሉ። “ብሰንኪ ግጭታት ኣብዝተፈላለዩ ከባቢታት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣብ ሽግር ንዝርከቡ ዜጋታት መንግስቲ ኣድላይ ሰብኣዊ ረድኤት ክሕግዝን ናብ መነባብርዕም ተመሊሶም ዳግም ናብርኦም ከጣይሱ ኩለ መዳይ ሓገዝ ክገብረሎምን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝወርድ ምምዝባል ነባሪ መፍትሒ ክረኽብ ኣለዎ።” ኣቶ ኣምሃ መኮነን ቀጺሎም ናይ ሎሚ ዓመት ዓለምለኸ ሰብኣዊ መሰላት ኣብዘኽብረሉ እዋን ሰመጉ ነቲ ብዓል ብዝተፈለየ ኩነታት ንምኽባር ዝሓዞ መደብ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ካብ ኣዳራሽ ወፃኢ ኣፍልጦ ንምሃብ ድልዊ ዘይምዃኑ ዝተሰምዖም ቅሬታ እውን ገሊፆም ኣለው ። ዓለምለኸ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኣብዝተኸብረሉ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ እውን ተኸቢሩ ውዒሉ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%8C%B8-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%B0%E1%88%98%E1%8C%89\/4694595.html"} {"headline":"ባህር ዳር፡ ካብ ቤንሻንጉል ጉምዝ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ሓገዝ መንግስቲ ኣይረኸብናን ክብሉ ቕሬታኦም ይገልጹ","content":"ካብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ባህር ዳር ዝርከቡ 500 ተመዛበልቲ ካብ ክልል ኣምሓራ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ኣይረኸብናን ክብሉ ቅሬትኦም ገሊፆም። ክልል ኣምሓራ ብወገኑ እቶም ተመዛበልቲ ናብ ትውልዲ ከባቢኦም ንምውሳድ መጎዓዚያ እንተቕረበ እውን እቶም ተመዛበልቲ ንምኻድ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን ኢሉ ። 500 ዝኾኑ ካብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ዞባ ካማሼ ወረዳ ያሶ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ባህር ዳር ዝርከቡ ዜጋታት ኣብ ልዕሌና ብዝተፈፀመ ብሄር ተኮር መጥቓዕቲ ሃብትና፣ንብረትናን መነባብሮናን ራሕሪሕና ሃዲሙና ይብሉ ። ኣብ ልዕሌና ዝተፈፀመ ግፍዒ ብናይቲ ወረዳ ሰበስልጣን እዩ ይብሉ።ሓንቲ ካብኣቶም በዓል ቤታ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ከምዝተቐትለ ትዛረብ። መንእሰይ ብርሃኑ ጌታቸው ብወገኑ ንብረትና ራሕሪሕና እንተወፃእና እውን እናስዓቡ ቐቲሎምናን ኣቑሲሎምናን ይብል ። “እዚ ሕብረተሰብ 10፣15 ሄክታር ኣፍርዩ እዩ።ንሕና ሓረስቶት ኢና።ነጋዶን በዓል ሃብትን እውን ኣለው።ነጋዶን ሰብሃብትን ንብረቶም ተዘሪፉ።8 መስከረም ረብሻ ጀሚሩ፣16 መስከረም ክልተ ኣባላት ምምሕዳር ቤንሻንጉል ተቐቲሎም ብዝብል ምቕታል ጀሚሮም።እቲ ምቕታል ክሳብ ሎሚ ደው ኣይበለን።” እቶም ተመዛበልቲ ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣብ ክልተ ቦታ ተዒቒቦም ከምዝርከቡ ሓገዝ ከምዘይግበረሎምን ይዛረቡ።ኣብ ማእኸል መዘናግዒ መናእሰይ ዝተዓቖበት ኣደ ክልተ ቆልዑ ስንታየሁ ጋሻው ኣብ ሜዳ ተሰጢሕና ንውዕል ትብል። “ኣብ በረንዳ ወዲቕና ኢና ንውዕል።ምሸት ስዓት ሰለስተ ኣቲና ስዓት 11 ንጉሆ ንወፅእ።ቆልዑ ይኹን ኩሉ ሰብ ብሕማም ተለኺፉ’ሎ።ንሕና መንግስቲ፤ክቕበለና እዩ፤ሃገርና እዩ ኢልና መፂእና፤ግን ተቐባሊ የብልናን።” ሓሙሽተ ኣባላት ስድርኡ ብሞት ዝስኣነን ሃብትን ንብረቱን ራሕሪሑ ዝመፀን መንእሰይ ናይቲ ከባቢ ሕብረተሰብ እናዋፅአ ካብ ዘምፅኦ መግቢ እምበር መንግስቲ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ኣይገበረልናን ይብል። ካብቶም ተመዛበልቲ ጥኑሳት፣ደቂ ኣንስትዮ፣ህፃናትን ከምኡ እውን ብጥይት ዝቖሰሉን ይርከቡዎም።ብዛዕባ እዚ ዝተሓተቱ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምክልኻል ሓደጋን ፕሮግራም ውሕስነት መግብን ዳይሬክቶረት ዳይሬክተር ቅድመ መጠንቀቕታን ምላሽን ኣቶ ጀምበሩ ደሴ ከምዚ ይብሉ። “ናብ ከባቢኹም ኪዱ’ሞ ሓገዝ ዕለታዊ መግቢ ክነቕርበልኩም ኢና ኢልናዮም።ንሓደ ሰብ ንወርሒ 15 ኪሎ ግራም ስርናይ ነቕርብ ኢና።እዚ ብደረጃ ሃገር ዝወፀ መዐቀኒ እዩ።” ንሶም ብተወሳኺ እቶም ተመዛበልቲ ግን ነዚ ኣይንቕበልን ኢሎም ይብሉ።ካብ ዝሓለፈ ሚያዚያ ጀሚሩ ካብ ክልላት ኦሮሚያን ቤንሻንጉል ጉምዝን ተመዛቢሎም ናብ ክልል ኣምሓራ ዝመፁ ልዕሊ 29 ሽሕ ተመዛበልቲ ይርከቡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A3%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%89%A4%E1%8A%95%E1%88%BB%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%8D-%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%8B%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%8A%B8%E1%89%A5%E1%8A%93%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%89%95%E1%88%AC%E1%89%B3%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B9\/4694520.html"} {"headline":"ሰላማዊ ሰልፊ ከተማ መቐለ","content":"ኣብ ከተማ መቐለ ዝሓለፈ ቀዳም ሕገ መንግስቲ ይከበር ዝብል ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ። ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብቲ ሰልፊ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ድምፂ ህዝቢ ዘይምስማዕ ከባድ ዋጋ ዘኽፍል እዩ’ሞ ንሕቶ ህዝቢ ቆላሕታ ክወሃቦ ይግባእ ኢሎም። No media source currently available ኣብቲ ሰልፊ ሕገ መንግስቲ ይከበር፣ ብሄር ተኮር መጥቃዕቲ ደው ይበል : ምትእትታው ወፃኢ ደው ይበል ዝብሉ ጭርሖታት ተሰሚዖም እዮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8A-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88\/4694315.html"} {"headline":"ቲቦር ናዥ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝረአ ዘሎ ምዕባለ ንኢዶም","content":"ኣብዚ ቅነ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ምብራቅ ኣፍሪቃን ዑደት ከካይዱ ዝጸንሑ ሓጋዚ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢን ወጻኢን ብዝገበረቶ ምክፋት ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሓጉስ ምዕባለ ይረአ’ሎ ክብሉ ገሊጾም። ንሶም ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ’ውን ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ሓዊሱ ርክብ ክልቲኣን ሃገራት ከምቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ደረጃ ንምብጻሕ ዘኽእሉ ዝተፈላለየ ጉዳያት ከምዝተዘራረቡ ኣፍሊጦም። ቲቦር ናዥ ነዚ ዝገለጹ ኣብ ኬን ያ ካብ ዝተፈላለዩ ጋዜጠኛታት ብዛዕባ ዑደቶምን ኣፍሪቃን ዝምልከት ንዝቀረበሎም ሕቶታት ዝሃብዎ ኣብ ምላሽን’ዩ ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B2%E1%89%A6%E1%88%AD-%E1%8A%93%E1%8B%A5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%80%E1%88%AD%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%8A%A0-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%89%A3%E1%88%88-%E1%8A%95%E1%8B%92%E1%8B%B6%E1%88%9D\/4691523.html"} {"headline":"\"ኢትዮጵያ ንድሕሪት ዝመልሳ ሓይሊ የለን\"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ","content":"ኢትዮጵያ ድሕሪ ደጊም ንድሕሪት ክመልሳ ዝኽእል ሓይሊ የለን ክብሉ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ተዛሪቦም። ዘጋጥሙ ዘለው ፈተናታት እውን ኣብ እዋን ምሕዳስ ገዛ ምስ ዘጋጥም ኩነታት ብምንፅፃር ዝርአ ዘሎ ዓውዓውታን ደሮናን፣ኢትዮጵያ ንምድሓን ትጉዓዝ ከምዘላ ዘርኢ እዩ ኢሎም። እቶም ቀዳማይ ሚንስተር ነዚ ዝበሉ ሎሚ ካብዝተፈላለያ ክልላት ኢትዮጵያ ምስ ዝተዋፅኡ ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ኣብ ዝተራኸብሉ እዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B3-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%8B%A8%E1%88%88%E1%8A%95-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5\/4691463.html"} {"headline":"ቤት ፍርዲ ሩስያ ብግዝያዊ ቪዛ ዝኣተው ሸውዓተ ኤርትራዊያን ናብ ሃገሮም ክጥረዙ ወሲኑ","content":"ኣብ ሩስያ ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም 2018 ‘ንምስታፍ’ ብዝብል ቪዛ፡ ካብ ሱዳን ናብ ሩስያ ዝኣተዉ ኤርትራውያን፡ ናብ ኣውሮጳ ክኣትው ኣብ ዝፈተንሉ ክብሉ ኣብ ዶብ ኢስቶንያ ተታሒዞም ኣለዉ። እቶም ስለስተ ኣዋልድን ኣርባዕተ ኣወዳትን ዝርከብዎም ሸውዓተ ኤርትራውያን፡ ናብ ሃገሮም ክጥረዙ ብቤት-ፍርዲ ከምዝተፈርደሎም፡ ንሳቶም ግን ክምለሱ ከምዘይደልዩ ሓቢሮም ኣለዉ። ምስቶም ኣብ ፒስኮቭ ትብሃል ከተማ ሩስያ ዘለው ስደተኛታት ዝተኻየደ ቃለ-መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%88%A9%E1%88%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8C%8D%E1%8B%9D%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%89%AA%E1%8B%9B-%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%8B%8D-%E1%88%B8%E1%8B%8D%E1%8B%93%E1%89%B0-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%8C%A5%E1%88%A8%E1%8B%99-%E1%8B%88%E1%88%B2%E1%8A%91-\/4689885.html"} {"headline":"ኣብ ማእከላዊ ጎንደር፡ደንብያን ጭልጋን ንዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት ብዝተለዓል ግጭት ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ማእከላዊ ጎንደር፡ ደንብያን ጭልጋን ንዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት ኣብ መንጎ ነበርቲ ግጭት ምልዓሉ ተገሊጹ። ኣብቲ ኣብ መንጎ ተወለድቲ ቅማንትን ኣምሓራን ምዃኑ ዝተነግረሉ ግጭት ሽዱሽተ ሰባት ከምዝሞቱ ናይቲ ክልል ቤት ጽሕፈት ሰላምን ደሕንነትን ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጹ’ሎ። ኣብቲ ግጭት ሓደ አባል ሰራዊት ምክልካል ከምዝሞተን ኣስታት 70 ዝኾኑ አባይቲ ከምዝነደደን ተገሊጹ’ሎ። ግዳያት’ቲ ጎንጺ ኢና ዝበሉ ተወላዶ ኣምሓራ ብስም ቅማንት መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ብህውሓት ብሕቡእ ዝተወደቡ ዕጡቓት’ዮም ክብሉ ንሪፖርተር ድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም። ካብ ወገን ቅማንት ዝኾኑ ከአ አለዓዓልቲ’ቲ ጎንጺ ንሕቶ መንነት ቅማንት ክዕፍኑ ዝደልዩ ሓይልታት’ዮም፡ ፖሊስ’ቲ ክልል’ውን ምስኣቶም ወጊኑ ክብሉ ይኸሱ ። ቤት ጽሕፈት ሰላምን ደሕንነትን እቲ ክልል ነቲ ግጭት ዘለዓዓሉ ሰላምን ምርግጋእን ከይዓስል ዝደልዮም ብምባል ብተወሳኺ ግጭት ዘልዓሉ ካብቲ መሓውር’ቲ ክልላዊ መንግስቲ ዝወጹ ሰለስተ ቀበሌታት’ዮም ብሕቡእ ወታሃደራዊ ስልጠና ይወሃቦም ከምዝነበረ’ውን አረጋጊጸ አለኹ ኢሉ’ሎ። ንቅማንት ብሕቡእ ወታሃደራዊ ስልጠና ብምሃብ ዝተኸሰሰ ህውሓት’ዩ ምላሽ ህውሓት ንምርካብ ናብ መቐለ ደዊልና ኣይቐንዓናን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%A5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8C%AD%E1%88%8D%E1%8C%8B%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%88%88%E1%8D%88-%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%88%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%88%BD%E1%8B%B1%E1%88%BD%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/4689696.html"} {"headline":"ኣብ ጎንደር ትማሊ ብዝተላዕለ ህውከት 1 ሰብ ሞይቱ 8 ድማ ቆሲሎም","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ዞባ ማእኸላይ ጎንደር ከባቢ ጭልጋ ትማሊብሰንኪ ዝተፈጥረ ህውከት ሓደ ሰብ ምሟቱን፣ ካልኦት ሸሞንተ ሰባት ምቑሳሎምን ብርክት ዝበለ ንብረት ከምዝዓነወን ተፈሊጡ። 39 ኣባይቲ፣ትሽዓተ እንዳመጥሓን ከምዝተቓጸለን 50 ኣባይቲ ድማ ከምዝተዘረፉን ፀብፃብ ኣስቴር ምስጋናው ይሕብር። ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ ኣሰማሀኝ ኣስረስ ሎሚ ኣብዝሃብዎ ፈላማይ ጋዜጣዊ መግለፂ ምስቲ መጥቓዕቲ ብዝተኣሳሰረ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ናይ ምውዓል ስራሓት ይስራሕ ኣሎ ኢሎም። “ቅድሚ ሎሚ እውን ዝነበሩ፣ንህዝቢ ዝበደሉ፣ገንዘብ ዝዘረፉ፣ዝሰረቑ እቲ ለውጢ ተጠናኺሩ ተሓተቲ ከይገብሮም ብዝተፈላለየ መንግዲ ንግጭታት እናመወሉ ሰላም ክዝረግ እናሰርሑ ይርከቡ እዮም።” ንሶም ብተወሳኺ ንህዝብና ንሓቶን ንልምኖን በብአካብቢኡ ሰላሙ ክሕልውን ነዞም ኣካላት ፈልዩ ንኣካላት ፀጥታ ከረክብን እዩ ኢሎም ።እቲ ናይ ሰላም ምዝራግ ንለውጢ ኣዚዩ ሓደገኛ እዩ ፤ዝተመዝገበ ለውጢ ከይኹለፍ ምክልኻሉ ሓላፈነት ህዝቢ እዩ ኢሎም። ኣብ ጭልጋ ትማሊ ዝተለዓለ ህውከት ሎሚ ብሓይልታት ፀጥታ ተረጋጊኡ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%89%B5%E1%88%9B%E1%88%8A-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-1-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B1-8-%E1%8B%B5%E1%88%9B-%E1%89%86%E1%88%B2%E1%88%8E%E1%88%9D\/4686561.html"} {"headline":"ንግጭት ክልላት ኦሮምያን ቤንሻንጉል ዘበገሶ ዝተወደበ ሓይሊ ኣሎ ክብል ፈደራል ዓቃቢ ሕጊ ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልላት ኦሮሚያን ቤንሻንጉል ጉሙዝን ምስ ዝተፈጥረ ግጭት ብድሕሪት ኣዚዩ ዝተወደበ ሓይሊ ኣሎ ክብል ናይ ኢትዮጵያ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣፍሊጡ።መንቀሊ ናይ ዝተፈጥረ ፀገም ፀጥታ ይፅናዕ ከምዘሎ እውን ሓቢሩ’ሎ። ፈደራል ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብቲ ሃገር ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝተኸሰተ ጎንጺታት ሃንደበት አይኮነን ዝብል’ዩ። እቲ ጠቅላሊ ዓቃቢ ሕጊ ንዘውጽኦ መግለጺ መበገሲ ጌሩ ምስ ዳይሬክተር ህዝባዊ ርክባትን ኮሚኒኬሽንን’ቲ ቤት ዕዮ ኣቶ ዝናቡ ቱኑ ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%A4%E1%8A%95%E1%88%BB%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%8D-%E1%8B%98%E1%89%A0%E1%8C%88%E1%88%B6-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%8B%B0%E1%89%A0-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%89%83%E1%89%A2-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4686509.html"} {"headline":"ኣምንስቲ ኣብ ኤርትራ ዑደት ዘካይዱ ዘለው ቲቦር ናዥ ብዛዕባ እሱራት ክሓቱ ይጽውዕ","content":"ኣብ ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዢ ኣብ ኤርትራ ብሰላማዊ ኣገባብ ሓሳቦም ብነፃነት ብምግላፆምን ብጉዳይ እምነትን ዝተኣስሩ ኩሎም ክፍትሑ ክሓቱ ኣለዎም ክብል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ናብ ኤርትራ ቅድሚ ምጋሾም ኣብዘውፅኦ መግለፂ ፀዊዑ ነይሩ። ጉዳይ ናይ ኣሜሪካ ዜግነት ዘለዋን ኣብ 15 ዓመታ ኣብ 2012 ንፖሊሲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ብምጥሓስ ካብታ ሃገር ክትወፅእ ኣብ ዝተፈተንትሉ እዋን ዝተኣስረትን ሲሃም ዓሊ ኣብቲ መግለጺ ከም ኣብነት ተጠቂሱ’ሎ።ንሳ ምስ ኻልእ ሰብ ከምዘይትራኸብን ስድርኣ ሪኦምዋ ይኹን ብዛዕብኣ ሰሚዖም ከምዘይፈልጡን እቲ መግለፂ ይሕብር። \"ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ናዢ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ቕልጡፍ ፍታሕ ከምዘድልዮ ኣስሚሮምሉ እዮም፤ነዚ ንምግባር ድማ ካብዚ ዑደት እዚ ዝበለፀ ዕድል የብሎምን’’ ኢለን ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዳይሬክተር ምብራቕ ኣፍሪቃን ዓበይቲ ቃላይን ጆኣን ኒያንዩኪ። \"ቅድሚት ካብ ዝስራዕ ኣጀንድኦም ዝተሰምዖም ብምዝራቦም ብጃምላ ዝተኣስሩ እሱራት ሕልና ክኸውን ኣለዎ።ከም ሲሃም ዓሊ ዝኣመሰሉ ኣብ ቤት ማእስርቲ ኤርትራ ዝማስኑ ዘለው ኣሽሓት ሰባት ተኸሲሶም ወይ ተፈሪዱዎም ኣይፈልጥን።” ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪካ ቲቦር ናዢ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከብቅዕን ልዕሊ 18 ኣዋርሕ ዘገልገሉ ድማ ብዘይውዓል ሕደር ክሰናበቱን ንሰበስልጣን ኤርትራ ክሓቱዎም መግለፂ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ይፅውዕ። ኤርትራ ነቲ ኽሲ ብተደጋጋሚ ትነጽጎ’ያ።ኤርትራ ኣባል ብርክት ዝበሉ ውዕላት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝኾነትን ንኣተሓሕዝኣ በብእዋኑ ፀብፃብ ከም እተቕርብን ትገልፅ። ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ሕቡራት ሃገራትኣባል ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ክትኸውን ኣብዝተመርፀትሉ እዋን ከምዝገለፀቶ ኤርትራ መሰላት ዜጋታታ ንምሕያል ቅርብቲ ምዃናን ኣብ ኣገልግሎታት ትምህርቲን ጥዕናን፣ኣፍራይነት ሕርሻ፣ምንካይ ድኽነትን ምምዕባል መሰረተ ልምዓትን ኣገዳሲ ምምሕያሽ ከምዘመዝገበት ገሊፃ’ላ። ኤርትራ ንዞባዊ ሰላም፣ምርግጋእን ፀጥታን ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣገዳሲ ኣበርክቶ ትገብር ከምዘላ ቅድም ክብል ኣብ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ዝወፀ ጽሑፍ ይሕብር።እቲ ጽሑፍ ከም ካልኦት ኣባል ሃገራት ኤርትራ ብድሆታት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘለዋን ንምምሕያሽ ከም እትሰርሕን እውን ትርዳእ እያ ይብል።ብሃናፃይ ፅምዶ ከም እትኣምንን ዕላማታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኩለን ሃገራት ብፅምዶ፣ብምትሕብባርን ብናይ ሓባር ምክብባርን ክፍፀም ከምዘለዎ ትግንዘብ ይብል። እቲ ፅሑፍ ብተወሳኺ ከም መብዛሕቲአን ኣባል ሃገራት ሕቡራት ሃገራትን ኩለን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራትን ኤርትራ ንድርብ መዐቀኒ፣ፖለቲካዊ ተበግሶን ንዝተወሰና ሃገራት ጥራሕ ዒላማ ከይኸውን ትቃወም ይብል። መግለጺ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኣብዚ ምንባብ ይክኣል። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%89%B2%E1%89%A6%E1%88%AD-%E1%8A%93%E1%8B%A5-%E1%89%A5%E1%8B%9B%E1%8B%95%E1%89%A3-%E1%8A%A5%E1%88%B1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%93%E1%89%B1-%E1%8B%AD%E1%8C%BD%E1%8B%8D%E1%8B%95\/4686469.html"} {"headline":"ኤርትራን ኣሜሪካን ዝምድንአን ንምሕያል ብሓባር ክሰርሓ ተሰማሚዐን","content":"ምክትል ሓላፊ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ ቲቦር ናዢ ሎሚ 4 ታሕሳስ 2018 ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ዘትዮ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ሚስተር ቲቦር ናዢን ሎሚ ቅድሚ ቀትሪ ኣብ መቐበሊ ኣዳራሽ ደንደን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ዝምድንኦም ከመሓይሹን ከሕይሉን ንክልቲኦም ሃገራት ኣብ ዘገድሱ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ከኣ ብሓባር ክሰርሑን ዘለዎም ድልዉነት ኣረጋጊጾም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%8A%95%E1%8A%A0%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%AB%E1%88%8D-%E1%89%A5%E1%88%93%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%8A%AD%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%88%93-%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%88%9B%E1%88%9A%E1%8B%90%E1%8A%95\/4686024.html"} {"headline":"ዑደት ብፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ዝምራሕ ልኡኽ ኣብ ኣሜሪካ","content":"ብፕረዚደንት ክልላዊ ምምሕዳር ኣምሓራ ኣቶ ገዱ አንዳርጋቸው ዝተመርሓ ጉጅለ ልኡኻት ኣብ ኣሜሪካ ካብ ትማሊ ሰንበት ጀሚሩ ዑደት የካይድ ኣሎ። ነቲ ጉጅለ ልኡኻት ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ብዙሓት ኢትዮጵያዊያን ኣቀባበል ጌሮምሎም ኣለው። ዕላማ’ቲ ጉዕዞ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ንልምዓት ክልል ኣምሓራ እጃሞም ከበርክቱ ንምግባር እዩ። እቲ ብኣቶ ገዱ አንዳርጋቸው ዝተመርሓ ጉጅለ ልኡኻት ክልላዊ መንግስቲ ኣሓራ ኣብዚ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ቨርጅንያ ኣብ ዝርከብ ሂልተን ሆቴል ኣቀባበል ተጌርሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB\/4684968.html"} {"headline":"ም\/ሚ\/ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ቲቦር ናጅ ኣስመራ ኣትዮም","content":"ምኽትል ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ቲቦር ናጅ ሎሚ ኣስመራ ኣትዮም ኣለው።ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ክኣትው ኸለው፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት የማነ ገብረኣብን፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኤምባሲ ኣሜሪካን ተቐቢሎሞ። ቲቦር ናጅ ጽባሕ ሶሉስ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ካልኦት ዝምልከቶም ሰበስልጣንን ክራኸብ ትጽቢት ይግበር ኣሎ። ዝሓለፈ ሰሙን ዑደቱ ብኢትዮጵያ ዝጀመረ`ቲ ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት፡ “ከምቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለና ዓይነት ምሕዝነት ምስ ኤርትራ ክህልወና ንደልይ ኢና” ኢሉ ኔሩ። ቲቦር ናጅ ቅድሚ ድሕሪ ናይ ኢትዮጵያ ዑደቱ ጅቡቲ ምብጽሑ ይፍለጥ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D-%E1%88%9A-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%89%B2%E1%89%A6%E1%88%AD-%E1%8A%93%E1%8C%85-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%A9\/4684914.html"} {"headline":"ዓረና መስርሕ ኣብ ቀረባ ዝተፈትሑ ተአረምቲ ሕጊ ኣድልዎ ዘለዎን ዘይፍትሓዊ’ዩ ይብል መንግስቲ’ቲ ክልል ግን ነዚ ይነጽግ","content":"ኣብ ቀረባ እዋን መንግስቲ ትግራይ ብይቕሬታ ክፍትሑ ዝወሰነሎም 3,231 ተአረምቲ ሕጊ ተፈቲሖም ። ኣብዚ ጉዳይ ጠሚቱ ንድምጺ ኣሜሪካ መግለፂ ዝሃበ ውድብ ዓረና ንሉአላውነትን ዴሞክራሲን ከይዲ እቲ ይቕሬታ ዘይፍትሓዊን ኣድልዎ ዘለዎ እዩ ብተወሳኺ ኣባላት ውድበይ ብምኽንያት ፖለቲካዊ ቅዋሞም ክሳብ ሐዚ ተኣሲሮም ይርከቡ ኢሉ። ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ትግራይ ብወገኑ እቲ ከይዲ ይቕሬታ ብመሰረት መምርሒ ይቕሬታ ዝተፈፀመን ግልፅነት ዘለዎን ፍታሓውን እዩ ክብል ገሊፁ። ብተወሳኺ እውን ብፖለቲካዊ ቅዋሙ ተኣሲሩ ኣብ መአረሚ ቦታ ዝርከብ ሰብ የለን ኢሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%8A%93-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%80%E1%88%A8%E1%89%A3-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%89%B5%E1%88%91-%E1%89%B0%E1%8A%A0%E1%88%A8%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8A%A3%E1%8B%B5%E1%88%8D%E1%8B%8E-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%93%E1%8B%8A-%E1%8B%A9-%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8C%8D%E1%8A%95-%E1%8A%90%E1%8B%9A-%E1%8B%AD%E1%8A%90%E1%8C%BD%E1%8C%8D\/4684823.html"} {"headline":"ሓጋዚ ሚ\/ጉ\/ወ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ተራኺቦም ተዘራሪቦም","content":"ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዑደቶም ብኢትዮጵያ ዝጀመሩ ሓጋዚ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ተራኺቦም: ተዘራሪቦም ኣለው። እቶም በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ትማሊ ምስ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶ\/ር ወርቅነህ ገበየሁ ተራኺቦም ኣብ ሓባራዊ ምትሕብባር ዞባዊን ዓለምለኸ ጉዳያትን ዝተዘራረቡ ክኾኑ ከለው ኢትዮጵያ ንዘለውዋ ናይ ቁጠባን ፖለቲካዊን ለውጢታት ብዛዕባ ካብ ኣሜሪካ ዝወሃብ ደገፍ’ውን ተዘራሪቦም። ቲቦር ናዥ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ተካይዶ ዘላ ምቅርራብን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምቅርራብ ክህልው ዕድላት ንግዲን ኢኮኖሚን ንምክፋት ትገብሮ ዘላ ሃናጺ ዞባዊ ጽምዶ ብሓጎስ ከምተቐበልዎ ገሊጾም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8C%8B%E1%8B%9A-%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/4681873.html"} {"headline":"ሃይማኖታዊ በዓል ሕዳር ጽዮን ኣብ ኣስመራን ኣክሱምን ብድምቀት ተኸቢሩ","content":"በዓል አክሱም ፅዮን ብድምቀት ተባዒሉ። No media source currently available ኣብዚ በዓል ብዙሓት ኤርትራውያን ድሕሪ 21 ዓመታት ተሳቲፎም። ምሉእ ትሕ ዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%8B%AD%E1%88%9B%E1%8A%96%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%8C%BD%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8A%AD%E1%88%B1%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%89%80%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%89%A2%E1%88%A9\/4681775.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ነቲ ብዱባይ ተታሒዙ ዝነበረ ቀዳምነት ካብን ናብን ኣፍሪቃ ዝግበር በረራ ትወስድ","content":"ኢትዮጵያ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝጉዓዙ ተጠቀምቲ ቀዳምነታ መጉዓዝያ ኣየር ካብ ዱባይ ወሲዳ። ፎርዋርድኪስ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ናይ ጉዕዞ ኣማኻሪ ትማሊ ረቡዕ ከምዝገለፆ ቦሌ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ ሃገራት ትሕቲ ስሃራ ኣፍሪቃ መሕለፊ ዓለምለኸ ተሳፈርቲ ምዃኑ ዓብዩ’ሎ።ቦሌ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ 2018 ካብ ዓለም ፅዑቕ መዕረፎ ነፈርቲ ሓደ ንዝኾነ ዱባይ ከምዝበለፆ ወሲኹ ይገልፅ። ኣብ መዓልቲ 17 ሚሊዮን ተጓዓዝቲ ዝተጠቕምሉ ስርዓት ትራንዚት መጎዓዚያ ኣየር ዝገምገመ ፎርዋርድኪስ፡ ሃገራት ትሕቲ ስሃራ ኣፍሪቃ ከም መሕለፊ ዝጥቀሙ ቦሌ መዓርፎ ነፈርቲ ካብ 2013 ክሳብ 2017 ኣብዘሎ እዋን ብ85 ሚእታዊት ወሲኹ’ሎ።ኣብ ተመሳሳሊ እዋን መዓርፎ ነፈርቲ ዱባይ ግን 31 ሚእታዊት ጥራሕ እዩ ወሲኹ። ዛጊት ናይ 2018 ናይ ኣዲስ ኣበባ ብ18 ሚእታዊት ክውስኽ ከሎም ናይ ዱባይ ግን ብ3 ሚእታዊት ጥራሕ ዓብዩ’ሎ። ኣዚዩ ዕዉት ኩባንያ መንግስቲ ዝኾነ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 2010 ዝፈንዎ ናይ 15 ዓመታት ስትራተጂ ብቱርኪን ኤሜረትን ዝዕብለል ዝነበረ ዕዳጋ መሪሕነት ክወስድ ኣኽኢሉዎ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%90%E1%89%B2-%E1%89%A5%E1%8B%B1%E1%89%A3%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%92%E1%8B%99-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%89%80%E1%8B%B3%E1%88%9D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%8B%A8%E1%88%AD-%E1%89%B5%E1%8B%88%E1%88%B5%E1%8B%B5\/4679995.html"} {"headline":"ናይ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ኣብ ኢትዮጵያን ፕረዚደንት ክልል ሶማልን ምስ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ጂጂጋ ተራኺቦም","content":"ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጂግጂጋ ኣብቲ ንማሕበረሰባት ንምቅርራብ ዝተጀመረ ለውጢ ኣወንታዊ ኣበርክቶ ክገብሩ ፕረዚደንት ክልል መንግስቲ ሶማሊያ ፀዊዖም። ነቲ ዩኒቨርስቲ ዝበፅሑ ናይ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ራይነር ብወገኖም በቲ ሓድሽ ራእይ ሓድነትን ለውጥን ኢትዮጵያ ኣሜሪካ ኣዝያ ከምዝተነቓቕሐት ኣፍሊጦም። ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ማይክል ራይነር ናይ ክልል ሶማልያ ፕረዚደንት አቶ ሙስጠፋ መሓመድ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጂጂጋ ተራኺቦም ንማሕበረሰብ’ቲ ዩኒቨርሲቲ መደረ ዝገበሩ ሎሚ ቅነ ኣብታ ሃገር ኣብ ሓደ ሓደ ዩኒቨርሲቲታት ዝረአ ዘይምርግጋእን ዘጋጥሙ ፍጻሜታትን መሰረት ብምግባር ምኳኑ ገሊጾም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B3%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%83%E1%88%AE-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%89%A8%E1%88%AD%E1%88%B2%E1%89%B2-%E1%8C%82%E1%8C%82%E1%8C%8B-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D\/4679982.html"} {"headline":"ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ከምኡ`ውን ምስ ጅቡቲ ዝተመሓየሸ ዝምድናታት ንዕብየት ንግድን ኢንቨስትመንት ኣሜሪካ ኣገዳሲ ምዃኑ ቲቦር ናጅ ገሊጾም","content":"ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዑደቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝጀመሩ ናይ ኣሜሪካ ላዕላዋይ ዲፕሎማት ጉዳይ ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርአ ዘሎ ለውጢ ኣሜሪካ ብልዑል ኣወንታዊ ዓይኒ ከምትጥምቶ ኣፍሊጦም። ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዑደቱ ትማሊ ብኢትዮጵያ ዝጀመረ ቲቦር ናጅ፡ ብቐንዱ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ከምኡ`ውን ምስ ጅቡቲ ዝተመሓየሸ ዝምድናታት ብዕብየት ንግድን ኢንቨስትመንት ኣሜሪካ ኣገዳሲ ምዃኑ ተዛሪቡ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶ\/ር ወርቅነህ ገበየሁ ድሕሪ ምርኻብ ንጋዜጠኛታት መግለጺ ዝሃቡ ቲቦር ናጅ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብኸቢድ ገበን ሰብኣዊ መሰላት ዝጥርጠሩ ሰባት ገንዘቦም ንምእጋድ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐረበ ሕቶ ኔሩ እንተኾይኑ ንዝቐረበሎም ሕቶ ክምልሱ ከለው፡ ከምኡ ዓይነት ሕቶ ቀሪቡ እንተነይሩ`ውን ብዛዕብኡ ርእይቶ ክህብ ኣይክእልን`የ፡ ስለዚ ከረጋግጸልኩም ወይ ኣሉታዊ መልሲ ክህበኩም ኣይክእልን`የ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8E-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8A%A1-%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8C%85%E1%89%A1%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%A8%E1%88%B8-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%8A%93%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8B%95%E1%89%A5%E1%8B%A8%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%8A%95%E1%89%A8%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%8B%B3%E1%88%B2-%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%91-%E1%89%B2%E1%89%A6%E1%88%AD-%E1%8A%93%E1%8C%85-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D-\/4679926.html"} {"headline":"ድርብ ዜግነት ዘለዎም መራሕቲ ተቓወምቲ ፓርቲታትን ፓስፖርት ወጻኢ ሃገራት ክሓድግዎ ከምዘለዎም ቀ\/ሚ አብይ አሕመድ ኣፍሊጦም","content":"ዜግነት ወጻኢ ዘለዎም መራሕቲ አካላት ተቓወምቲ ፓርቲታትን ዜግነት ኢትዮጵያ ንምርካብ ሕጂ ዝሓዝዎ ፓስፖርት ወጻኢ ሃገራት ክሓድግዎ ኣለዎም ክብሉ ቀ\/ሚ አብይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም። ድርብ ዜግነት ዝብል ምስ ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲ ዝረአ’ዩ ዝኸውን’ዩ ክብሉ እውን ወሲኾም አረዲኦም። ብካልእ ወገን ኮሚሽን ዕርቂ ናይ ምምስራሕ ስራሕ ኣብ መወዳእቲ በጺሑ’ሎ ኢሎም። ኢህወዲግ ናብ ስልጣም ምስ መጸ ዝጸደቀ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድርብ ዜግነት ስለዘየፈቅድ ዜግነት ኢትዮጵያ ዘይብሉ ሰብ ክመርጽን ክምረጽን ኣይክእልን’ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%8A%A5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%8D%8D-%E1%8B%B5%E1%88%AD%E1%89%A5-%E1%8B%9C%E1%8C%8D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8D%93%E1%88%B5%E1%8D%96%E1%88%AD%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%8C%8D%E1%8B%8E-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4678613.html"} {"headline":"ኣምባ. ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ንቤት ማእሰርቲ ኦጋዴን በጺሖም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማሊያ ከተማ ጂግጂጋ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ንዝተፈፀመ ኣዚዩ ዘሰቅቕ እዩ ዝተባህለ ገበን ዜግነት ኣሜሪካ ዘለዎም ኢትዮጵያዊያን ምስታፎም ናይቲ ክልል ፕረዚደንት ወግዓዊ ገይሮም።ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ማይክ ሬይነር ተጠርጠርቲ ናብ ሕጊ ኣብ ምቕራብ ዝክኣሎም ከምዝገብሩ ቃል ኣትዮም። 400 እሱራት ክእሰርሉ ዝተሰርሐ ኣብ ከተማ ጂግጂጋ ዝርከብ ‘’ጄል ኦጋዴን’’ ኣሽሓት እሱራት ይዳጎኑሉ ከምዝነበሩ ይግለፅ።ትማሊ ሶሉስ ነቲ ቤት ማእሰርቲ ዝተዓዘቡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ማይክል ሬይነር ብዛዕባ እቲ ቤት ማእሰርቲ መብርሂ ተዋሂቡዎም ኣሎ።ንኽልተ ሰባት ዘይትኣክል ንእሽተይ ክፍሊ ልዕሊ 10 ሰባት ንመዓልታትን ኣዋርሕን ይእሰርሉ ከምዝነበሩ ተገሊፁ’ሎ። No media source currently available ናይቲ ክልል ፕረዚደንት ሙስጠፋ መሓመድ ድሕሪ እቲ ዑደት ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መብርሂ እቶም ኣምባሳደር ብዓይኖም ክሪኡዎ ንምግባር እዩ እቲ ዕላማ ኢሎም። “ነዚ ገበን ዝፈፀሙ ሰባት ኽትትል ንምግባርን መሰል ደቂ ሰባት ናይ ኩሉ ወይ ሓፈሻዊ ስለዝኾነ ናብ ዝኸዱ እንተኸዱ ከምዘይምልጡ ንምግላፅን እዩ።ዜግነት ኣሜሪካ ዝነበሮም ኣብዚ ገበን ብቐጥታ ተሳተፍቲ ዝነበሩ ተወለድቲ ሶማሌ ነይሮም።ናብ ቱርኪ፣ኬንያ፣ኣሜርካ፣ሽወድንን ካልኦት ሃገራትን ሃዲሞም ስለዘለው ክትትል ገይርና ናብ ሕጊ ንምቕራብን ንሓዋሩ መምሃሪ ንምግባርን እውን እዩ።” ኣምባሳደር ማይክል ሬይነር ብወገኖም ተጠርጠርቲ ክሕተቱ ኣለዎም ኢሎም። “እቶም ፕረዚደንት ኣብዚ ምስ ዝተፈፀሙ ገበናት ዝጥርጠሩ ሰባት ኣብ ኣሜሪካ ከምዝርከቡ ነጊሮምኒ ኣለው።ጥርጡራት ናብ ሕጊ ክቐርቡ ንምግባር ክንዲ ዝክኣለኒ ንምትሕብባር ዘለኒ ምሉእ ድልውነት ንዕኦም ይኹን ንሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊፀሎም ኣለኹ።ግዳያት ይፍፀሞም ዝነበረ ስቓይን መከራን ዘካፈሉና ብርቱዕ መንፈሰ ዘለዎም ሰባት ዘለኒ ልባዊ ምስጋና ክገልፅ እደሊ።እዚ ተመክሮ ብዘይካ ናታቶም መንፈስ ክንርድኦ ኣዚዩ ኣፀጋሚ ምኾነ ነይሩ።” ናይቲ ክልል ፕሬዝዳንት ብተወሳኺ ጄል ኦጋደን ሎሚ ባዶ እዩ።እቲ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈላለዩ ናይ መስቀይቲ ክፍልታት ዝሓዘ እዩ።ጄል ኦጋዴን ኣዚዮ ኣሰቀቕቲ ዝኾኑ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝተፈፀመሉ ምናላባሽ እውን ኣብ ሃገርና ጥራሕ ከይኮነስ ኣብ ኣፍሪቃ እውን ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ክፍፀም ኢልካ ዘይእመን ስቓይ ዝተፈፀመሉ እዩ ኢሎም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95-%E1%8C%80%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%8C%8B%E1%8B%B4%E1%8A%95-%E1%89%A0%E1%8C%BA%E1%88%96%E1%88%9D\/4678525.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ አብይ አሕመድ ተቓወምቲ ፓርቲታት ንዝቕጽል ምርጫ ክዳለው ጸዊዖም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ልዕሊ 70 ፓርቲታት ንዝቕጽል ምርጫ’ታ ሃገር ንክዳለው ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ጸዊዖም። ቀዳማይ ሚንስተር ነዚ መጸዋዕቲ ዘቕረቡ ሎሚ ሶሉስ ምስቶም ፓርቲታት ኣብ ዘካየድዎ ፈላማይ ዙር ልዝብ’ዩ። ኣብቲ ካብ ወጻኢ ሃገራት ናብ ውሽጢ ሃገር ዝተመልሱ ሓዊሱ 70 ዝኾኑ ፓርቲታት ዝተኻፈልሉ አኼባ፡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ እቶም ፓርቲታት ብኸምዚ ተበታቲኖም ምስ ዝንቀሳቀሱ ኣብ ልዝብ ኾነ ምርጫ ንምስታፍ ዘለዎ አሉታዊ ጎኒ ገሊጾም፡ግንባር እናፈጠሩን እናተወሃሃዱን ቁጽሮም ብምንካይ ክሕይሉ’ውን ሓቲቶም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A0%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A0%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%88%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%95%E1%8C%BD%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%AD%E1%8B%B3%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%96%E1%88%9D\/4676915.html"} {"headline":"ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ 3,231 ተአረምቲ ሕጊ ብይቕሬታ ንምፍታሕ ወሲኑ","content":"ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ 3,231 ተአረምቲ ሕጊ ብይቕሬታ ንምፍታሕ ወሲኑ። ብይቕሬታ ክፍትሑ ዝወስንኩ ኣብ መአረሚ ዝርከቡ ሓይሊ መናእሰይ ንስራሕ ክውዕል ተሊመ እዩ ክብል መንግስቲ’ቲ ክልል ሓቢሩ’ሎ። ሕጊ ይቕራታ ዘማልኡ ድማ ሎሚ መዓልቲ ክፍትሑ ወሲነ ኢሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%84%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-3-231-%E1%89%B0%E1%8A%A0%E1%88%A8%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%89%A5%E1%8B%AD%E1%89%95%E1%88%AC%E1%89%B3-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%88%95-%E1%8B%88%E1%88%B2%E1%8A%91\/4676805.html"} {"headline":"`ናይ ሰላም ሃዋራያ`፡ ኢትዮጵያውያን ኣዴታት ኣብ ምልእቲ`ታ ሃገር ብምዛር ንሰላምን ሓድነትን ይምሕጸና","content":"ካብ ዝተፈላለያ ክልላትን ከባቢታት ዝተወከላ ኣምባሳደር ሰላም ተባሂለን ዝተሰየማ ኣዴታት ናብ ከተማ መቐለ ይበጽሓ ኣለዋ። እተን ኣዴታት ምስ ምክትል ርእሰ ምምሕደር ክልል ትግራይ ዶ\/ር ደብረፅዮን ገ\/ሚካኤል ተራኺበን ተዘራሪበን። ዶክተር ደብረፅዮን ኣብቲ ዘተ ኣብ ትግራይ ሰላም እዩ ዘሎ ኮይኑ ግና ኣብ ካልእ ከባቢ እውን ሰላም ክሰፍን ክንሕግዘክን ኢና ኢሎም። No media source currently available ብኻልእ ወገን እዘን ሰላምን ሓድነትን ዝናፈቓ ኣዴታት፡ ናይ ሰላም ጉዕዘአን ብኸተማ ባህርዳር ከምዝጀመራ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ከተማ ባህርዳር ትገልጽ። ኣብ ኣዳራሽ ቤት-ምኽሪ ኽልል ኣምሓራ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ነተን ኣዴታት መንእሰያት ተቐቢሎመን። እተን ኣዴታት ብዘቕርብኦ ዝነበራ ምሕጽንታ ልቡ ዘይተተንከፈ መንእሰይ ኣይነበረን ትብል ነቲ ኣብ ኣዳራሽ ዝነበረ ሃዋህው ብምርኣይ። “ን50 ሚልዮን ኣዴታት ወኪልና ክንመጽእ ኸለና ከምዘይተሕፉርና ስለእንፈልጥ ኢና። ሃገር ከምዝተረከብኩም፡ ስልጣን እተሰጋግሩ ንስኻትኩም ምዃንኩም ስለእንፈልጥ ኢና። ኣብ ጻዕሪ-ሕርሲ ሰላም ኢና ዘለና። ነዛ ተወሊዳ ዘላ ሰላም ንስኻትኩም ኢኹም ክተዕብዩዋ። ድሕሪ ደጊም ንስኻትኩም እናሃለኹም ኣይክንበክይን ኢና” ኢለን። እተን ናይ ሰላም-ሃዋርያ ኣዴታት ካብ ኩሉ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝተዋጽኣ`የን፡ ዝቕጽል ጉዕዘአን ክልል ዓፈር`ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%AB-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%8A%A8%E1%88%8B-%E1%8A%A3%E1%8B%B4%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B3%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88\/4676766.html"} {"headline":"ናይ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ሶማል ዑደት አካይዶም","content":"ናይ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ኣብ ኢትዮጵያ ማይክ ሬይነር ኣብ ክልል ሶማል ኢትዮጵያ ሎሚ ዑደት አካይዶም። ኣብቲ ዑደት ምስ ፕረዚደንት’ቲ ክልል ሙስጠፋ መሓመድ ተራኺቦም ኣብ ጉዳይ ጸጥታትን ልምዓትን ምዝርራቦም ተፈሊጡ’ሎ። አምባሳደር ሬይነር ኣብቲ ክልልን ከተማ ጂጂጋ ዝኸደሉ ዕላማ ብዛዕባ ዝተፈጥረ ናይ ሰላምን ጸጥታን ጉዳይ ንምዝርራብን ከምኡ’ውን ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ኢኮኖሚያዊ ትካላት ልምዓት ብዝተሓሓዝ ምስ ፕረዚደንት’ቲ ክልል ንምዝርራብ እዩ። ኣምባሳደር ሬይነር ድሕሪ ምስ ፕረዚደንት’ቲ ክልል አቶ ሙስጠፋ መሓመድ ምዝርራቦም ናይ ሓባር ጋዜጣዊ ምሃቦምን ተገሊጹ’ሎ። ኣምባሳደር ሬይነር ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ንካልኣይ ጊዜ ናብቲ ክልል ይበጽሑ ምህላዎም ይፍለጥ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B3%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%89%A0%E1%8C%BD%E1%88%91\/4674629.html"} {"headline":"ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ክልል ትግራይ ሰላማዊ ሰልፊታት ተኻይዱ","content":"ኣብ ዞባታት ደቡብ፣ ማእኸልን ምዕራብን ትግራይ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ትማሊ ሰንበት ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻይዶም። ኣብ ቀረባ እዋን ብምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝተወሃበ መግለፂ ንድግፍ ኢና፣ ብሄር መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ደው ይበል፣ ሕገ መንግስቲ ይከበር ዝብሉ ጭርሖታት ዝተሰምዕሉ ነይሩ። ኣብ ዞባታት ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ኣብ ዝነበረ ሰልፊ ብሽም መንነት ዝቐረብ ሕቶ ንዓና ኣይውክልን ዝብል ጭርሖ እውን ቀሪቡ እዩ። ኣብ ከተማ አላማጣ እቲ ሰልፊ ቅድሚ ምክያዱ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ኣብ ስለስተ ቦታታት ነታጊ ከምዝተደርብየ እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ሰብ ኮነ ንብረት ዘብፀሖ ጉድኣት ከምዘየለ ተጠርጠርቲ እውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምውዓሎም ምምሕዳር’ታ ከተማ ኣፍሊጡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A8-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8A-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/4674279.html"} {"headline":"ውድድር ብሽክለታ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2018 ተዛዚሙ","content":"ካብ 22-25 ሕዳር ኣብ ኣስመራ ክካየድ ዝቐነየ ውድድር ብሽክለታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ብዓወት ኤርትራዊ ሲራክ ተስፎምን ደቡብ ኣፍሪቃዊት ማቲ ማርጆይስን ተዛዚሙ። ኣብቲ ትማሊ ሰንበት 25 ሕዳር ዝተኻየደ መዛዘሚ ውድድር ሰበስልጣን መንግስት ዲፕሎማት፡ወከልቲ ዓለምለኸ ማሕበር ብሽክለታ (ዩሲኣይ)ንፈደረሽን ብሽክለታ ኣፍሪቃ(ካክ)ን፡ኣባላት ተሳተፍቲ ሃገራትን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ኣብ ዝተገብረ ስነ-ስርዓት ብወግዒ ተዕጽዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%8B%B5%E1%88%AD-%E1%89%A5%E1%88%BD%E1%8A%AD%E1%88%88%E1%89%B3-%E1%8B%8B%E1%8A%95%E1%8C%AB-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-2018-%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%99\/4674233.html"} {"headline":"ግብረ መልሲ ዝተፈላለዩ ወገናት ንመግለጺ ምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ","content":"ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ጠሚቱ ዝሃብዎ መግለፂ መዘራረቢ ኮይኑ ኣሎ። ኣቦ መንበር ዓረና ንልኣላውነትን ዴሞክራስን ኣይተ ኣብርሃ ደስታ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ግዕዝይናን ተሓታቲ ብኢህወደግ ዝምራሕ መንግስቲ እምበር ውልቀ ሰባት ኣይኮኑን ይብሉ። ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ሕጊ ኣይተ የማነ ካሳ መንግስቲ ክልል ኣብ ኣፈፃፅማ ዛዕባታት ካብ መንግስቲ ፈደራል ዝተፈለየ መርገፅ ምሓዝ ሕጊ ኣይክልክሎን ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%8B%88%E1%8C%88%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/4671614.html"} {"headline":"ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ኢትዮጵያ ዝረአ ዘይምርግጋእ ህይወት ሰብ ምጥፍኡ ከምዘሕዘኖም ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ገሊጾም","content":"ኣብ ሓደ ሓደ ዩኒቨርስታት ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ ህይወት ሰብ ምጥፍኡን በቲ ፋጻሜ ምሕዛኖምን ርእሰ ኣመሓዳሪ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ ገዱ እንዳርጋቸው ትማሊ ምሸት ገሊፆም። ትማሊ ምሸት መግለፂ ዝሃቡ ኣቶ ገዱ እንዳርጋቸው ካብ ዝኾነ ይኹን ክልል ናብ ክልል ኣምሓራ ዝመፁ ተማሃሮ ናይ ኣምሓራ ውላድ እዮም፤ ኣብታ ሃገር ዝተፈጥረ ኣንፃራዊ ሰላም ንምዝራግ ተማሃሮ መጥቐሚ ክኾኑ የብሎም ኢሎም። “ናይቶም ተማሃሮ ዕላማ ምክትታል ትምህርቲ እዩ።ነዚ ዝዕንቅፍ ካብ ውሽጦም ይኹን ካብ ወፃኢ ዝመፅእ ሓይሊ ከቃልዑ ኣለዎም።ተሓባበርቲ ክኾኑ የብሎምን።ተማሃሮ ሕድ ሕዶም ካብ ምግጫው ክርሕቑ ኣለዎ።ኣብ ክልልና ምስ ዝርከቡ ማሕበረሰባት ዩኒቨርስቲታት፣ምስ ሕብረተሰብ ብፅንዓት ክንሰርሕ ኢና።” ትማሊ ኣብ ዩኒቨስሪ ጎንደር ተኸሲቱ ዝነበረ ውሱን ዘይምርግጋእ ብኣመራርሓ እቲ ዩኒቨርስቲ፣ነበርቲ ከተማ፣ሽማግለታት ዓዲን ብፍሉይ ሓይሊ ፖሊስን ሰላም ናብ ንቡር ተመሊሱ’ሎ ኢሎም ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ዶ\/ር ደሳለኝ መንገሻ። ኣቦ ወንበር ባይቶ ሰላምን ልምዓትን ከተማ ጎንደር ኣቶ ባዩ በዛብህ ደቆም ናብ ዩኒቨርስቲ ጎንደር ንዝለኣኹ ወለዲ እዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ኣለዎም። “ምስ ኣዲኦምን ኣቡኦን ከምዘለው ገይሮም ክርድኡ ኣለዎም።ዋላ ሓደ ነገር፣ኣሽንዃይዶ ካልእ ፅንፅያ እውን ኣይዓርፎምን እዮም።” ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣሶሳ ኣብ መንጎ ክልተ ተማሃሮ ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ናይ ብሄር መልክዕ ብምሓዙ ብዝተፈጥረ ህውከት ህይወት ሰለስተ ተማሃሮ ምሕላፉን ካልኦት 34 ተማሃሮ ድማ ምቑሳሉን ሚንስተር ሳይንስን ላዕለዋይን ትምህርትን ዶ\/ር ሂሩት ወልደማሪያም ምግላፀን ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%89%A8%E1%88%AD%E1%88%B2%E1%89%B2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%8A%A0-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%8C%8B%E1%8A%A5-%E1%88%85%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8C%A5%E1%8D%8D%E1%8A%A1-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%95%E1%8B%98%E1%8A%96%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%B3%E1%88%AA-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/4671580.html"} {"headline":"ነበርቲ ቤንሻንጉል ጃምላዊ ቅትለት ተፈጺሙ ክብሉ ይኸሱ","content":"ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ወረዳ ያየሶ ትማሊ ሓሙስ ምሸት ተወዲቦም ዝንቀሳቐሱ ዝበሉዎም ሰባት ጃምላዊ ቕትለት ፈፂሞም ክብሉ ነበርቲ ገሊፆም። ርእሰ ኣማሓዳሪ ክልላዊ መንግስቲ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣቶ ኣሻድሌ ሃሰን ኣብዝሃብዎ መብርሂ ናይቲ ክልል ፀጥታ ዝዘርጉ ዘለው ዕጡቓት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ\/ኦነግ\/ እዮም ኢሎም ኣለው።ኦነግ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣይንቀሳቕስን፤ናይቲ ክልል ፀጥታ ኣብ ምዝራግ ብኦነግ ሰብብ ክግበር ኣይግባእን ክብሉ ኣቦ ወንበር ኦነግ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ምላሽ ሂቦም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%A4%E1%8A%95%E1%88%BB%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%8D-%E1%8C%83%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%89%85%E1%89%B5%E1%88%88%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%BD%E1%88%99-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8B%AD%E1%8A%B8%E1%88%B1\/4671568.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንምርጫ ብዝምልከት ምስ ተቓወምቲ ፓርቲታት ክዝትዩ'ዮም","content":"ምስ መራሕቲ ተቓወምቲ ፓርትታት ዝቕፅል ሰሉስ ከምዝራኸቡ ትፅቢት ዝገበርሎም ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2012 ዓ.ም ዝካየድ ምርጫ ነፃን ፍትሓውን ክኸውን ከምዝዘራረቡ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ገሊፁ። ኣብቲ ልዝብ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝንቀሳቐሱን ካብ ወፃኢ ሃገር ዝተመልሱን ፓርትታት ክሳተፉ ተፀዊዖም ኣለው። እቲ ርክብ ቀ\/ሚን ተቓወምቲ ፓርቲታትን ናይ 2012 ዓ.ም ምርጫ ኣብ ዝተመደበሉ እዋን ክካየድ ንምውሳን ነፃን ገለልተኛን ኣካላት ምስ ምፍጣር ከምዝተኣሳሰር መራሕቲ ተቓወምቲ ተዛሪቦም ኣለው ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%88%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8B%9D%E1%89%B5%E1%8B%A9-%E1%8B%AE%E1%88%9D\/4671523.html"} {"headline":"ኣብ ልዕሊ ሜቴክ ዝተካየደ መርመራ ብልሽውና ኣብ ካልኦት'ውን ክቅጽል'ዩ ክብል ዓቃቢ ሕጊ ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ልዕሊ ሜቴክ ዝተገብረ መርመራ ብልሽውና ኣብ ካልኦት ትካላት እውን ክቕፅል እዩ ክብሉ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣፍሊጡ። ኣብ ልዕሊ ሓላፍቲ ሜቴክን ሃገራዊ ስለላን ድሕነትን ዝነበሩ ዛጊድ ዝተወስደ ስጉምትታት ሕጊ መሰረት ዝገበሩ እዮም ክብል ዝሓበረ ዓቃቢ ሕጊ ካብዚ ወፃኢ ዝውሃብ ርእይቶ ተቐባልነት የብሎምን ክብል ኣፍሊጡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%88%9C%E1%89%B4%E1%8A%AD-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B0-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%88%BD%E1%8B%8D%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A6%E1%89%B5-%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%89%85%E1%8C%BD%E1%88%8D-%E1%8B%A9-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%89%83%E1%89%A2-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4671447.html"} {"headline":"ሰብ ስልጣን ሊብያ ካብ ዝደሓንሉ መርከብ ንምውራድ ዘይፈቐዱ ስደተኛታት ብሓይሊ ከምዘውረድዎም ተገሊጹ","content":"ሰብ ስልጣን ሊብያ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ብንግዳዊት መርከብ ድሒሮም ኣብ ወደባዊት ከተማ ሚስትራ ምስ በጽሑ ካብቲ መርከብ ክወርዱ ፍቓደኛታት ከምዘይኾኑ ክገልጹ ንዝጸንሑ 79 ስደተኛታት ብሓይሊ ካብታ መርከብ ከምዝውረድዎም ተገሊጹ። እታ ኣብ ትሕቲ ባንዴራ ፓናማ ትጉዓዝ ዝነበረት መርከብ ነቶም ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ብምድሓን ናብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምስ መለሰቶም 14 ካብኣቶም ሽዑ ሽዑ ክወርዱ ከለው ዝተረፉ 79 ግን ናብ ሊብያ ክምለሱ ፍቃደኛታት ከምዘይኮኑን ካብታ መርከብ ከምዘይወርዱን ክገልጹ ጸኒሖም። ኮማንደር ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ጨንፈር ማእከላይ ዞባ ተውፊቕ ኢሳካር ብቴሌፎን ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል ቁጽሪ ስደተኛታት ልዕሊ 90 ምኳኑ ምስ ፖሊስ ብምትሕብባር ኣብ ዝተኻይደ ስርሒት ዘንብዕ ጋዝን ዘይቐትል ዓረር ብምጥቃሞም ገለ ጉድኣት ዝበጽሖም ስደተኛታት ከምዘለው ሓቢሮም። ንሶም ብተወሳኺ እቶም ዝተጎድኡ ስደተኛታት ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱን ኣብ ደሓን ኩነታት ከምዝርኸቡን አረዲኦም ኣለው። ሕቡራት ሃገራት ቁጽሪ እቶም ስደተኛታት 79 ከምዝኾነን በቲ ፍጻሜዝተሰምዖ ሓዘንን ገሊጹ'ሎ። ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ግን ሰብ ስልጣን ሊብያ ሓይሊ ብምጥቓሞም ብትሪ ብምንቃፍ ነቲ ጉዳይ ንምጽራይ ምርመራ ክካየድ ጸዊዑ'ሎ። ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዲፕሎማት ሱዳንን ሶማልን እቶም ስደተኛታት ብወለንትኦም ካራታ መርከራ ክወርዱ ብመንጎኝነት ክሰርሑ ምጽንሖም ይፍለጥ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%88%8A%E1%89%A5%E1%8B%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8B%B0%E1%88%93%E1%8A%95%E1%88%89-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%AB%E1%8B%B5-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8D%88%E1%89%90%E1%8B%B1-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%8D%E1%88%A8%E1%8B%B5%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4671076.html"} {"headline":"ወ\/ሪት ብርቱኳን ሚዴቅሳ ኣካቢት ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኮይነን ተመዚዝን","content":"ፓርላማ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብዘካየዶ ስሩዕ ኣኼብኡ ወ\/ሪት ብርቱኳን ሚዴቅሳ ኣካቢት ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ክኾና ሸይሙወን። ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ሽመት ኣብዘቕረብሉ እዋን ዝቕፅል ሃገርለኸ ምርጫ ኣብ ኢትዮጵያ ንሓቀኛ ዴሞክራሲ መሰረት ዝንበረሉ ክኸውን እዩ ኢሎም ኣለው ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%88-%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%89%B1%E1%8A%B3%E1%8A%95-%E1%88%9A%E1%8B%B4%E1%89%85%E1%88%B3-%E1%8A%A3%E1%8A%AB%E1%89%A2%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%89%A6%E1%88%AD%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%AE%E1%8B%AD%E1%8A%90%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9A%E1%8B%9D%E1%8A%95\/4669876.html"} {"headline":"ሞያሌ: ብሰንኪ ግጭት ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ሓገዝ ከምዘይበጽሖም ይገልጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ሞያሌ ካብ 2 ክሳብ 7 ሕዳር 2011 ዓ\/ም ብሰንኪ ዝተፈፅመ መጥቓዕቲ መንበሪኦም ዝተቓፀሎም ነበርቲ እታ ከተማ ስኣን ሓገዝ ኣብ ፀገም ከምዝርከቡ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቦም። እቶም ነበርቲ ካብ ኣካላት መንግስቲ ዘዘራረቦም ከምዘየለ እውን ሓቢሮም።ኮሚሽን ድልውነትን ምክልኻልን ሓደጋ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ረድኤት ንምቕራብ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፁ’ሎ ይብል ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9E%E1%8B%AB%E1%88%8C-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%90%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%AD-%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%A0%E1%8C%BD%E1%88%96%E1%88%9D-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B9\/4669898.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ብጉጅለ ዝተዓጥቑ ሰባት መቕተልቲ ይፍጽሙ ኣለው ክብሉ ነበርቲ ገሊፆም","content":"ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ግሙዝ ወረዳ የያሶ ብጉጅለ ዝተዓጥቑ ሰባት መቕተልቲ ይፍጽሙ ኣለው ክብሉ ነበርቲ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።ካብ ሓደ ስድራ ክሳብ ሸሞንተ ሰባት ዝተቐትልሉ ከምዘሎ እውን እቶም ነበርቲ ሓቢሮም። መብርሂ ክህበሉ ዝተሓተቱ ምምሕዳር ቤንሻንጉል ጉሙዝ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ከምዘይሰምዐ እንተገለፀ እውን ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ግን ሓበሬታ ከምዘለዎ ብምግላፅ ብዛዕብኡ ምፅራይ ይገብር ከምዘሎ ሓቢሩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%A4%E1%8A%95%E1%88%BB%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%8D-%E1%89%A5%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8C%A5%E1%89%91-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%89%95%E1%89%B0%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%8B%AD%E1%8D%8D%E1%8C%BD%E1%88%99-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8D%86%E1%88%9D\/4669893.html"} {"headline":"መግለጺ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንምምሕያሽ ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ተኣማንን ሓቀኛን ዴሞክራሲያዊ ምርጫ ንምክያድ ተላዒለ ኣለኹ ክብል መንግስቲ ቀዳማይ ሚንስተርኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጡ። ሽመት ወ\/ሪት ብርቱካን ሚደቅሳ እውን ምስቲ መፅናዕቲ ዝግበር ዘሎ መመሓየሺ ሕጊ ቦርድ ምርጫ ዝቃዶ ፖለቲካዊ ስጉምቲ እዩ ክብል ገሊፁ’ሎ። ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ዝተላ እኸ መግለፅን ብጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ዝተዳለወ ምይይጥ መመሓየሺ ሕጊ ቦርድ ምርጫን ዝምልከት ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%AB%E1%88%BD-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%89%A6%E1%88%AD%E1%8B%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/4669865.html"} {"headline":"ም\/ሓላፊ ሚ\/ጉ\/ ወጻኢ ኣሜሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክበጽሑ'ዮም","content":"ምኽትል ሓላፊ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ ናብ ኤርትራ: ኢትዮጵያ: ጅቡቲ: ኬንያን ጀርመንን ከምዝበጽሑ መርበብ ሓበሬታ ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ካብ ሕዳር 27 ክሳብ ታሕሳስ 8 ዘካየድዎ ዑደት ምኽትል ሓላፊ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኣፍሪቃ ናይ ንግዲን ሸቐጥን ዝምድና ንምሕያል: ነቲ ዕቑር ዓቕሚ ኣፍሪቃ ዝኾነ መንእሰይ ጽምዶ ንምክያድን ምስ መሻርኽቲ ብምዃን ንሰላምን ምርግጋእን ኣፍሪቃ ንምድንፋእ ከምኡ'ውን ነቲ ኣሜሪካ ንህዝቢ ኣፍሪቃ ዘለዋ ተአማንነት ንምርግጋጽ ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ከምዘተኹሩ ተገሊጹ። ቲቦር ናዥ ኣብ ኩለን ዝበጽሕወን ሃገራት ኣብ ክልቲኣዊ ዝምድና ሃገራት ዘተኾረ ርክብ ምስ ሰበ ስልጣን እዘን ሃገራት ከምዘካየዱን ኣብ ናይ አዲስ አበባ ዑደቶም ድማ ኣብ ናይ ኣሜሪካን ሕብረት ኣፍሪቃ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ዘተ ከምዝሳተፉ ኣብ ጅቡቲ ድማ ጸሓፊ ኢጋድ ተራኺቦም ከምዝዘራረቡ ተፈሊጡ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8A-%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%89%B2%E1%89%A6%E1%88%AD-%E1%8A%93%E1%8B%A5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%89%80%E1%88%AD%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%AD%E1%89%A0%E1%8C%BD%E1%88%91-%E1%8B%AE%E1%88%9D\/4669684.html"} {"headline":"ኣብ ኤርትራ ዝረአ ለውጢ ምስ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ዝሳነ ኽከውን አባላት ባይቶ ኣሜሪካ ሓቲቶም","content":"ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኤርትራን ዝግበር ዝኾነ ርክብ ኾነ ምፍኳስ ማዕቀባት ምእንቲ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ምስ ዕላማታት ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ዝተታሓሓዝ ምዃኑ ከተረጋግጹ ንጽውዕ ክብሉ ክልተ አባላት ባይቶን ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ አባላት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ንሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐዮ ሓቲቶም። ክልቲኦም አባላት ባይቶ ኣሜሪካ ነዚ መጸዋዕታ ዘቕረቡ ናብ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ፓምፐዮ ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ’ዩ። አባላት ኮንግረስ ጀመስ መጋቨርን ዲሞክራት ኣብ ማሰቸቱሰት ሪፖብሊክን ራንዲ ሃልቲግሪን ካብ ኤሎነይ ክልቲኦም ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ናይ ዝርከብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ቶም ላንቶስ ብሓባር ብአቦ መንበርነት ዝመርሑ ኮይኖም ብቀንዱ ናብ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐይን ቅድሑ ኸአ ንኣብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ኒኪ ሃሊ ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ቀረባ ንዝወሰድዎ ተበግሶ ሰላም ከም ዓቢ ዓወት ብሓጎስ ንቅበሎ፡ ኤርትራ ናብ ዞባውን ዓለማውን ማሕበረሰብ ምእታዋን’ውን ጽቡቕ ምዕባለ’ዩ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ዘረብሕ’ዩ ንርክብ ኣሜሪካን ኤርትራን እውን ኣገዳሲ’ዩ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%8A%A0-%E1%88%88%E1%8B%8D%E1%8C%A2-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%8A%BD%E1%8A%A8%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%88%93%E1%89%B2%E1%89%B6%E1%88%9D\/4668423.html"} {"headline":"ኤርትራ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ቅድድም ብሽክለታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ተዓዊታ","content":"ሎሚ ሕዳር 21 ኣብ ኤርትራ ዝጀመረ ቀዳማይ መድረኽ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ: ኤርትራ ኣብ ክልቲኡ ጾታ ቀዳመይቲ ብምዃን ተዓዊታ። ኣብቲ 18 ኪ .ሜ ዝሸፈነ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ቀዳመይቲ: ኢትዮጵያ ካልኣይቲ: ደቡብ ኣፍሪቃ ሳልሳይቲ ብምዃን ክዕወታ ከለዋ: 36 ኪ.ሜ ዝሸፈነ ውድድር ደቂ ተባዕትዮ ድማ ኤርትራ ቀዳመይቲ፡ሩዋንዳ ካልኣይቲ: ኢትዮጵያ ድማ ሳልሳይቲ ብምዃን ተዓዊተን ኣለዋ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%80%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%8A%BD-%E1%89%85%E1%8B%B5%E1%8B%B5%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%88%BD%E1%8A%AD%E1%88%88%E1%89%B3-%E1%8B%8B%E1%8A%95%E1%8C%AB-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%8A%E1%89%B3\/4667959.html"} {"headline":"ኤርትራ ንፈላማ ጊዜ ዋንጫ ቅድድም ብሽኽለታ ኣፍሪቃ ከተተአናግድ’ያ","content":"ኤርትራ ንፈላማ ጊዜ ዋንጫ ቅድድም ብሽኽለታ ኣፍሪቃ ከተተአናግድ’ያ። እቲ ዓለምለኸ ማሕበር ብሽክለታ ኣፍልጦ ዘለዎ ውድድር ካብ 21 ክሳብ 25 ሕዳር ክካየድ’ዩ። አብቲ ውድድር ዝሳተፉ አባላት ዝተፈላለዩ ጋንታታት ካብ ሶኑይ ጀሚሮም ኣስመራ ዝኣተው ክኮኑ ከለው እቲ ውድድር ድማ ሎሚ ምሸት ኣብ ሆቴል ኣስመራ ፓላስ ብወግዒ ተኸፊቱ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%95%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%9B-%E1%8C%8A%E1%8B%9C-%E1%8B%8B%E1%8A%95%E1%8C%AB-%E1%89%85%E1%8B%B5%E1%8B%B5%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%88%BD%E1%8A%BD%E1%88%88%E1%89%B3-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%89%B0%E1%8A%A0%E1%8A%93%E1%8C%8D%E1%8B%B5-%E1%8B%AB\/4666895.html"} {"headline":"\"ኣብ ኢትዮጵያ ንዝመጹ ለውጢታት ንምትዕንቓፍ ለይትን መዓልትን ዝደኸሙ እኩያን ኣለው\" ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ንዝመጹ ለውጢ ንምትዕንቓፍ ለይትን መዓልትን ዝደኸሙ እኩያን ኣለው ክብሉ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ሓቢሮም። እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ነዚ ዝበሉ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ብሰላም ምዝዛሙ ኣመልኪቶም ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ጽሑፍ መግለጺ’ዩ። ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተቐባሊ ጋሻ ምኳኑ ዳግም ምርግጋጹ ብምግላጽ ምስጋና ኣቕሪቦም። ሕዳር 17 ን 18 ኣብ አዲስ አበባ ዝተካየደ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ብሰላምን ዕውትን ኩነታት ምዝዛሙ ኣብ ዝገለጽሉ እዋን ነዚ ድማ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ንነበርቲ ከተማ አዲስ አበባ ኣመስጊኖም። ምስዚ ብዝተሓሓዝ ብስርቕን መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝተጠርጠሩ ላዕለዎት ወታሃደራዊ ሓላፍትን ሰበ ስልጣን ጸጥታን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዝኣትውሉ ዘለው ስጉምቲ’ውን ጠቒሶም። ቀ\/ሚ ኣብይ ኣብቲ መግለጺ ምስቲ ስጉምቲ ማእሰርቲ ብዝተሓሓዝ ሓለዋ ጸጥታ ከምዝጸንዕ ተጌሩ’ሎ ኢሎም። ነዚ ምጽናዕ ሓለዋ ምክንያት ኮይኑ ዘሎ ነቲ ለውጢ ንምትዕንቓፍ ዝስርሑ አካላት ስለዘለው ምዃኑ ሓቢሮም። ቀ\/ሚ አብይ ኣሕመድ ወሲኾም ኸምቲ ንለውጢ ለይትን መዓልትን ዝደክም ዘሎ ነቲ ለውጢ ንምትዕንቃፍ ለይትን መዓልትን ዝደኽሙ እኩያት ‘ን ምህላዎም ካባና ዝተሰወረ ኣይኮነን ኢሎም። ዕንቅፋት ፈጢሮም ንናይ ሃገርና ምስሊ ንምብልሻው ድማ ብምንም ተአምር ዕድል ኣይክንህቦምን ኢና ኽብሉ’ውን ተስሚዑ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%8C%B9-%E1%88%88%E1%8B%8D%E1%8C%A2-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8B%95%E1%8A%95%E1%89%93%E1%8D%8D-%E1%88%88%E1%8B%AD%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%8B%B0%E1%8A%B8%E1%88%99-%E1%8A%A5%E1%8A%A9%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-\/4666808.html"} {"headline":"ኦነግ ኣብ አዲስ አበባ ዝነበረ ቤት ጽሕፈቱ ዳግም ኸፊቱ","content":" ግንባር ነጻነት ኦሮሞ አብ አዲስ አበባ ከባቢ ጉለሌ ዝነበረ ናይ ቀደም ቤት ጽሕፈቱ ሎሚ ድሕሪ 26 ዓመታት ብወግዒ ተኸፊቱ። ምክፋት’ቲ ቤት ጽሕፈት እቲ ውድብ ምስ መንግስቲ ካብ ዝገበሮ ስምምዓት ሓደ ምኳኑ ተገሊጹ’ሎ። ግንባር ነጻነት ኦሮሞ ምስ ምኽባር ዜጋታት ዝሰርሑ ውድባት ሓቢሩ ንምስራሕ ድልው ምዃኑ ኣብቲ አጋጣሚ ገሊጹ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A6%E1%8A%90%E1%8C%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8C%BD%E1%88%95%E1%8D%88%E1%89%B1-%E1%8B%B3%E1%8C%8D%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%8D%8A%E1%89%B1\/4666716.html"} {"headline":"መስመራት ሑመራ - ኡምሓጀርን ራማ -ዓዲዃላን ኣብ ቀረባ እዋን ንኽክፈቱ ዘተ ነካይድ ኣለና ክብሉ ምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓቢሮም","content":"ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘራኽቡ መስመራት ሑመራ - ኡምሓጀርን ራማ -ዓዲዃላን ኣብ ቀረባ እዋን ንኽክፈቱ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ንምሕያል አመራርሓ ደረጃ ዘተ ነካይድ ኣለና ክብሉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሓቢሮም። እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ጠሚቱ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣብ ራያን ዞባ ምዕራብ ትግራይን ዝገበርዎ ዑደት ጠሚቱ እውን መብርሂ ሂቦም እዮም። ኣብ መንጎ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ርክብ ንምሕያል ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝብን ርክብ ኣመራርሓን ኣብ ዶብን ከባቢኡን እውን ይካየድ ኣሎ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%91%E1%88%98%E1%88%AB---%E1%8A%A1%E1%88%9D%E1%88%93%E1%8C%80%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%88%AB%E1%88%9B--%E1%8B%93%E1%8B%B2%E1%8B%83%E1%88%8B%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%80%E1%88%A8%E1%89%A3-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8A%BD%E1%8A%AD%E1%8D%88%E1%89%B1-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%8A%90%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8A%93-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/4666639.html"} {"headline":"ኢትዮጵያዊያን ኣይሁድ ናብ እስራኤል ናይ ምስዳድ መሰሎም ብዝምልከት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዶም","content":"ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያዊያን ኣይሁድ መንግስቲ እስራኤል ንዘሕለፎ ውሳነ ኢምግሬሽን ብምቅዋም ትማሊ ሶኑይ ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ሰልፊ አካይዶም። እቶም ሰልፈኛታት እዚ ውሳነ መንግስቲ እስራኤል ስድራቤታት ኣብ ክልተ ሃገራት ዝመቕል’ዩ ይብሉ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣስታት 135,000 ኢትዮጵያዊያን ኣይሁድ ኣብ እስራኤል ይነብሩ፡ ኣስታት 8,000 አባላት ስድራቤት እዞም ኢትዮጵያዊን ድማ ነቲ ብ’ኣልያ’ ዝፍለጥ መስርሕ ኢምግሬሽን ንምፍጻም ይጽበዩ ኣለው። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቕምቲ መንግስቲ እስራኤል ንኣስታት 1,000 ኢትዮጵያዊያን ኣይሁድ ናብ ኣብ እስራኤል ዘለው ኣባላት ስድራቤቶም ክሕወሱ ድሕሪ ምፍቓዱ ሓደ ስድራ ቤት ጥራይ ናብ እስራኤል ክኸዱ ምኽኣሎም እዞም ኢትዮጵያዊያን ኣይሁድ ይገልጹ። ካብ 1970ታት ጀሚሩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያዊያን ኣይሁዱን ናብ እስራኤል ክስደዱ ጸኒሖም እዮም እንተኾነ ካብ ቐረባ እዋን ጀሚሩ ሕግታት መንግስቲ እስራኤል ንዋሕዚ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ናብታ ሃገር ከጓትቶ ጸኒሑ’ዩ። ሃይማኖታዊ ሕጊ እስራኤል ነዞም ካብ ኣመንቲ ክርስትና ናብ ኣመንቲ ኣይሁድ ዝተቐየሩ ኢትዮጵያዊያን ኣይሁድ ከም ኣይሁድ ኣይቖጽሮምን ስለዚ ድማ አባላት ስድራቤቶም ኣብ ኽንዲ “ኣልያ” ብሕጊ ኢምግሬሽን ብምርካብ ስድራቤት ናብ እስራኤል ክኣትው ኣለዎም ይብል። ይኹን ደአ እምበር ኽሳብ 2013 አባላት ስድራቤት ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን አይሁዱ ብዘይ ጸገም ናብታ ሃገር ክኣትው ምጽንሖም ይፍለጥ። ነቐፍቲ ብወገኖም እዚ ውሳነ መንግስቲ እስራኤል ኣድልዎ እዩ ክብሉ ብትሪ ነቲ ስጉምቲ ይቓወሙ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%88%81%E1%8B%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A5%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%8A%A4%E1%88%8D-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8B%B3%E1%8B%B5-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%88%9E-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D\/4666474.html"} {"headline":"ኣህጉራዊ መዓልቲ ቆልዑ ኣብ ኤርትራ ተዘኪሩ","content":"ኣህጉራዊ መዓልቲ ቆልዑ “ንነባሪ ምዕባለ ቆልዑ መብጽዓና ነሕድስ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቴማ ሎሚ 20 ሕዳር 2018 ኣብ መላእ ኤርትራ ብዝተፈላለዩ መሰናድኦታት ብድምቀት ተዘኪሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%85%E1%8C%89%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%89%86%E1%88%8D%E1%8B%91-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%8A%AA%E1%88%A9\/4666391.html"} {"headline":"አከባብራ ዒድ ኣል መውሊድ ኣልነቢ ኣብ ኤርትራ","content":"ዒድ መውሊድ ኣልነቢ ሎሚ 20 ሕዳር 2018 ኣብ ኤርትራ ብምዕሩግ ኣገባብ ተኸቢሩ።ኣብቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ መስጊድ ጃምዕ ኣልከለፋ ኣልራሽዲን ዝተኻየደን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ኣምባሳደራትን ዲፕሎማት፡መራሕቲ ሃይማኖት እስልምናን ክርስትናን ምእመናን እስልምናን ዝተረኽብሉ ስነ-ስርዓት፡ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሙፍቲ ኤርትራ ሼኽ ሳልም ኢብራሂም ኣልሙኽታር ኤርትራ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም፡ዕርቅን ምሕዝነትን ድሕሪ ምኽታማን ኣብ ድሮ ንልዕሊ 9 ዓመታት ዝጸንሐ እገዳ ምልዓሉ ይኽበር ብምሕላዉ ናይ ሎሚ ዓመት ዒድ ኣል መውሊድ ንሓጎስ ህዝቢ ዘበርኽ ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም። ብተመሳሳሊ ዒድ መውሊድ ኣልነቢ ኣብ ኢትዮጵያ ብክብ ዝበለ ድምቐት ተኸቢሩ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A0%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%AB-%E1%8B%92%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%8B%8D%E1%88%8A%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%8A%90%E1%89%A2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB\/4666231.html"} {"headline":"ኣደፓ መፍትሒ ዝለዓል ሕቶ መንነት ክልላት ብመንገዲ ሕገ መንግስቲ ምስ ዝምስረቱ እዮም ኢሉ","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተልዓሉ ሕቶታት ዶብን መንነትን ክምርምር ዝፀንሐ ናይ ኣምሓራ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ\/ኣዴፓ\/ ናይ ኢትዮጵያ ክልላት ዝተኸለላሉ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኣይኮነን ክብል ገሊፁ። ናይ ኣምሓራ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ\/ኣዴፓ\/ ኣብ ቀረባ ኣብዘካየዶ ውድባዊ ኣኼባ ዘቕረቦ መፍትሒ ሓሳብ ወግዓዊ ገይሩ’ሎ።ወሃቢ ቃል ኣዴፓ ኣቶ ምግባሩ ከበደ ሕቶ መንነት ብዝምልከት መርገፂ ኣዴፓ ናይ ኢትዮጵያ ክልላት ዝተኸለሉ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኣይኮነን ዝብል እዩ ኢሎም። “ሕገ መንግስቲ ዝፀደቐ ኣብ 1987 ዓ.ም እዩ።ሎሚ ዘለዋ ክልላት ኢትዮጵያ ኸኣ እቲ ሕገ መንግስቲ ቅድሚ ምፅዳቑ ብዝተሰርሐ ናይ ክልላት ኣወዳድባ እየን ተጣይሸን።እዚ ሕገ መንግስቲ መሰረት ተገይሩ ይፈፀም ኢና ንብል።ሕገ መንግስቲ መሰረት ገይሩ ይካለል ኢሉ እቲ ጉባኤ ክውስን ከሎ ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ብመሰረት ዝተቐመጡ ሰለስተ ናይ ክልል መኸለሊ መዐቀኒታት ከይጎደሉ ኣብ ግብሪ ክውዕሉ ኣለዎም።ሓደ ቋንቋ እዩ፤ካልኣይ ኣቀማምጣ\/ኣሰፋፍራ፣ሳልሳይ መንነት እዩ፤ራብዓይ ድማ ድልየት እዩ።” ንሶም ወሲኾም ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣነ ክመሓደር ዘድልዮ ኣብዚ ክልል እዚ እዩ፤ ብዘይምልከተኒ ክልል ክመሓደር ኣይደልን ኢሉ ብድልየቱ ክውስን ኣለዎ ኢሎም።ህዝብታት ብድልየቶም ከይወሰኑ ምኽላል ንዴሞክራሲ ይጎድእ እዩ፤ናይ ህዝቢ ቅሬታ ይልዓል ዘሎ እውን በዚ ምኽንያት እዩ ኢሎም። ናይ ራያ ይኹን ናይ ወልቃይት ሕቶ ዝልዓል ዘሎ እቶም ህዝብታት ኣብ ዘይዘተዩሎም ውሳነ ብምዃኑ ሕገ መንግስቲ መሰረት ተገይሩ ክፍታሕ ኣለዎ፤እቲ ፀገም እውን ናይቲ ሕገ መንግስቲ ፀገም ኣይኮነን እኳድኣስ እቲ ዕንቅፋት ፀረ ዴሞክራሲያዊነት እዩ ኢሎም። “ዝተሓንፀፀ ፈዴራሊዝም ኣብ ግብሪ ኣብ ምውዓል ዝመፀ ፀረ ዴሞክራሲያዊ ሽግር እዩ ነዚ ናይ ክልል ኣምሓራን ሽግር ከይፍታሕ ዝገበረ፡ ስለዚ ዴሞክራሲያዊ ይኹን እንተድኣ ተባሂሉ ሕገ መንግስቲ ብዘቐመጦ መዐቀኒ ፌደራሊዝም ክጣየሽ ይግባእ።ሕቶ ወልቃይት ግቡእ ሕቶ ኮይኑ እንተተረኺቡ ክፍታሕ ዝኽእል፤ሕቶ ራያ ትኽክለኛ ሕቶ ኮይኑ ክሳብ ዝተረኽበ ክፍታሕ ዝኽእል በዚ መንገዲ እዩ።ህዝብታት ቋንቋና፣መንነትና፣ኣሰፋፈርና ኣምሓራ እዩ እንተይሎም ናብ ኣምሃራ፣ትግራይ ኢና ዝበሉ ድማ ናብ ትግራይ ይኸይድ።” እዚ ውሳነ እዚ ክሳብ ክንደይ የኽይድ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሎም ኣቦ ወንበር ጉዳይ ሕቶ መንነት ወልቃይት ኮሎኔል ደምቀ ዘውዴ እቲ ሕገ መንግስቲ ብዝግባእ ክፈትሖ እዩ ኢሎም። “ብናተይ እምነት እቲ ሕገ መንግስቲ ክፈትሖ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።ምኽንያቱ ወልቃይት ፀገዴ ብቋንቋ ኢና ከሊልናዮ እዮም።ህዝቢ ወልቃይት ፀገዴ ግን ንሕና ኣይተሓተትናን፤ብሓይሊ ኢና ከይድና፤ንሕና ኣምሓራ ኢና እናበልና ትግራይ ኢኹም ተባሂልና መምርሒ ተዋሂቡና።ስለዚ ሕገ መንግስታዊ መሰልና ተጣሒሱ’ሎ ኢና ንብል ዘለና።” ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ኮሌጅ ሕግን ምሕደራን ኣባል ኮሚቴ ሕቶ መንነት ህዝቢ ራያን ዶ\/ር ሲሳይ መንግስቴ ናይ ኣዴፓ ውሳነ ነቲ ሕቶ ይምልስዶ ይኸውን ዝብል ሕቶ ቀሪቡሎም ህዝቢ ሓሳቡን ድልየቱን ክገልፅ እንተድኣ ተፈቒዱሉ በቲ ዘሎ ሕጊ ክምለስ ይኽእል እዩ ኢሎም። ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ተንተንቲ ናይ ወልቃይት ይኹን ናይ ራያ ሕቶ መንነት ፍቓድ ክልል ትግራይ ዝሓትት እዩ ይብሉ።ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ሕቶ ዶብን መንነትን ዘለዎ መርገፂ ክምልሳ ዝተሓተታ ሓላፊት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልል ትግራይ ወ\/ሮ ሊያ ካሳ “ብተባራሪ ወረ ዝልዓል ተዘይኮይኑ ምስ መንነት ተኣሳሲሩ ብሰነድ ዝተደገፍ ጭቡጥ ሕቶ ናብ ክልል መንግስቲ ዝቐረበ የለን።ክሳብ ዘይቀረበ ኸኣ መርገፂ ክልል መንግስቲ እንታይ እዩ ዝብል ነቲ ሰነድ ክሳብ ዘይርኣና መርገፂና ክነቐምጥ ኣይንኽእልን እየን” ኢለን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%8B%B0%E1%8D%93-%E1%88%98%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%92-%E1%8B%9D%E1%88%88%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%88%95%E1%89%B6-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%88%95%E1%8C%88-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%A8%E1%89%B1-%E1%8A%A5%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%88%89\/4665244.html"} {"headline":"ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ብዝረአ ዘሎ ዘይእዋናዊ ዝናብ ሓረስቶት ምህርቶም ክእኽቡ ጸዊዑ","content":"ኣብ ትግራይ ኣብዚ ሐጂ እዋን ግዚኡ ዘይሓለወ ዝናብ ስለዘሎ ሓረስቶት ምህርቶም ከይባኽን ብቕልጡፍ ክእክቡ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ፀዊዑ። ማእከል ግልጋሎት ሜቴሮሎጂ እቲ ክልል ከምዝገለፆ እቲ ዝናብ ወርሒ ሕዳር እውን ክቕፅል እዩ ክብል ኣፍሊጡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A2%E1%88%AE-%E1%88%95%E1%88%AD%E1%88%BB%E1%8A%95-%E1%88%8D%E1%88%9D%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%8C%88%E1%8C%A0%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%8A%A0-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%8B%9D%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%93%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%89%B6%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%89%A1-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%91\/4665214.html"} {"headline":"አብ ከባቢ ሞያሌ ዝተፈጥረ ጸገም ጸጥታ ህይወት ሰብን ንብረትን ከምዝጠፍአ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ከባቢ ሞያሌ ኣብ ቀረባ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ኣብ ህይወትን ንብረትን ክብ ዝበለ ጉድኣት ከምዘውረደ ይግለጽ ኣሎ። ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ብወገኑ እቲ ጉዳይ ቅድሚ ሎሚ ብዝነበሩ ምምሕዳራት ክዕረዩ ዝነበሮም ጸገማ’ዮም፡ ካብኡ ሰጊሩ ዝመጹ’ዮም ኢሎም ኣለው። ነበርቲ’ቲ ከባቢ ነዚ ጸገም ዝፈጠሩ ካብ ክልል ሓሙሽተ ዝመጹ ሰባት’ዮም መጥቓዕቲ ዝፍጸሙ ዘለው ክብሉ የማርሩ። ናይ ክልል ኦሮምያ ምክትል ሓላፊ ክፍሊ ጸጥታን ጉዳያት ሓለዋን ኮነሬል አበበ ገረሱ እቲ ጉዳይ ቅድሚ ሎሚ ዝነበሩ ምምሕዳራት ይፍጸሙ ካብ ዝነበሩ ዝተመሓላለፈ’ዩ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A0%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2-%E1%88%9E%E1%8B%AB%E1%88%8C-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%A8-%E1%8C%B8%E1%8C%88%E1%88%9D-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%88%85%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8C%A0%E1%8D%8D%E1%8A%A0-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4665048.html"} {"headline":"ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተው ሓላፊ ስለያን ደሕንነት ነበር ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ፖሊስ ብከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ጠርጢረዮም ዝበሎም ናይ ሃገራዊ ስለያን ደሕንነትን ሓላፊ ነበር ሎሚ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም። ፖሊስ ሎሚ አቶ ያሬድ ዘሪሁን ናብ ፈደራል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምድብ ልደታ 10ይ ተረኛ መጋባእያ ገበን ኣብ ዘቅረቦም እዋን አሰቃቂ ተግባራት ስቅያት ብምፍጻም ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ገሊጹ’ሎ። እዞም ሓላፊ ሃገራዊ ስለላ ነበር ብጥርጣረ ኣብ ልዕሊ ዝተታሕዙ ዜጋታት ካብ ማሕረምቲ ክሳብ ብኤሌትሪክ አሳቅዮም ጥራይ ነብሶም አንጠልጢልካን ገልቢጥካ ምግራፍን ዓይኖም ሸፊንካ ናብ ጫካ ምድርባይን ኣብ ኦም ሰቂልካ ምግራፍን ዝአመሰሉን ተግባራትን ብምፍጻም ከምዝጠርጠረምን መርትዖታት ከምዘለውን ነቲ ቤት ፍርዲ ገሊጹ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%8B%8D-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8A-%E1%88%B5%E1%88%88%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%B0%E1%88%95%E1%8A%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%89%80%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/4662154.html"} {"headline":"\"ገበነኛታት ገና ካብ በዓትታቶም ክወጹ’ዮም\" ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ","content":"ገበነኛታት ገና ካብ በዓትታቶም ክወጹ’ዮም ክብሉ ቀዳማይ ሚንስተር ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም። እቶም ቀዳማይ ሚንስተር ነዚ ዝበሉ ብመሰረታዊ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ተጠርጢሮም ይተሓዙ ዘለው ሰባት ብዝምልከት ኣብ ዝውጽእዎ መግለጺ ገበነኛታት ናይ ምህዳንን ናብ ፍርዲ ናይ ምቅራብ ከይዲ ተጀሚሩ ደአ እምበር ኣይተወደአን ኢሎም። ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ናብ ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝለአኾ ዘውጽኦ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ንካንሰር ብሓባር ንከላከል ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ’ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%8A%90%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8C%88%E1%8A%93-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%89%B5%E1%89%B3%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%8B%88%E1%8C%B9-%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5\/4662140.html"} {"headline":"ማእሰርቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስታዊ ትካልን ሰበስልጣን መንግስትን ብዝምልከት ምሁራት እንታይ ይብሉ?","content":"ናይ ሜቴክ ዋና ዳይርከተር ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘውን ምኽትል ሃገራዊ ኣገልግሎት ድሕነት ኣቶ ያሬድ ዘሪሁንን ዝርከቡዎ ሓለፍቲ ትካላት መንግስቲ፣ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ዝነበሩን ውልቀ ሰባትን ብግዕዝይናን ብመግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ይውዕሉን ቤት ፍርዲ ይቐርቡን ኣለው። ንብረትን ሃፍትን መንግስቲ ዘጠፋፍኡን ንሰብኣዊ መሰላት ዝግሃሱን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም ግቡእ እዩ፤ኣብ ሓደ ወገን ዘተኮረ ከይኸውን ግን ስግኣት ኣለኒ ይብሉ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ምምህር ሕግን ዲን ኮሌጅ ሕግን ስነ መንግስትን ኣቶ ገብረህይወት ሓዱሽ።ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ኣቶ ኣብርሃ ሃይለዝጊ ብወገኑ ንተጠርጠርቲ ምእሳር ግቡእ’ዃ እንተኾነ እዚ ሕዚ ዝካየድ ዘሎ ማእሰርቲ ግን ኮነ ኢልካ ንትግራዋይ ንምድኻም ዝዓለመን ፖለቲካዊ መበገሲ ዘለዎን ስጉምቲ እዩ ይብል።ብሓቂ እንተኾይኑ ህይወት ሰብ ዘጥፍኡ ገበነኛታት ኢሉ ዝወፀውዖም ስልጣን ክወሃቦ ከይኮነስ ክሕተቱ ነይሩዎ ይብል። እቲ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ ኣብ ሓቂ ዝተመስረተ ምዃኑ መርትዖ ስለዘይብለይ ክፈርድ ኣይክእልን ዝበለ ኣብዚ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ሜሪላንድ ፍሬድሪክ መምህር ኮሌጅ ኣቶ ኣሰፋ ዘብርኣብሩክ እዩ።ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ ቦርድ ሜቴክ ስጉምቲ ከይተወስደ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ ናይቲ ትካል ዝነበሩ ጥራሕ ዝውሰድ ስጉምቲ ሕቶ ከልዕል ከምዝደረኾ ይገልፅ ኣቶ ኣሰፋ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ሕገ መንግስቲ ኣቶ ሙሉጌታ ኣረጋዊ ግን እቲ ዝውሰድ ዘሎ ናይ ማእሰርቲ ስጉምቲ መንግስቲ ዝኣመኖን ሓላፍነት ዝወሰደሉን በደል ምዃኑ ብምግላፅ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ እዩ ንዝብል ኣበሃህላ ግን ከምዘይቕበሎን ሓደገኛን ምዃኑ ይገልፅ። ድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/analysis-on-arrest-of-government-officials-and-indivisiduals-in-ethiopia\/4662117.html"} {"headline":"\"መንነት ህዝቢ ወልቃይት ባዕልና ተወላዶ ወልቃይት እምበር ካልእ ሰብ ክዛረበልና ኣይንደልን\"ነበርቲ","content":"መንነት ህዝቢ ወልቃይት ባዕልና ተወላዶ ወልቃይት እምበር ካልእ ሰብ ክዛረበልና ኣይንደልን ክብሉ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ እቲ ወረዳ ሓቢሮም። ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዑደት ይገብሩ ኣለው። እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ጠሚቱ ምስ ተወከልቲ ወረዳታት እቲ ዞባ ዘትዮም። ኣብቲ ዘተ ድማ ጉዳይ መንነት ህዝቢ እቲ ከባቢን፣ ክሳብ ሐዚ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘዋስን መስመር ሑመራ ኡምሓጀር ዘይምኽፋት ዝብሉ ጉዳያት አካል እቲ ዘተ ነይሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%89%83%E1%8B%AD%E1%89%B5-%E1%89%A3%E1%8B%95%E1%88%8D%E1%8A%93-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B6-%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%89%83%E1%8B%AD%E1%89%B5-%E1%8A%A5%E1%88%9D%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A5-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%8B%9B%E1%88%A8%E1%89%A0%E1%88%8D%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2\/4662022.html"} {"headline":"ጅቡቲ ንውሳነ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንምልዓል ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ከምትቕበሎ ገሊጻ","content":"ጅቡቲ ንውሳነ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንምልዓል ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ከምትቕበሎ ገሊጻ። ኣምባሳደር ጅቡቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት መሓመድ ስዒድ ዱለህ ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ጅቡቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ኣጽዋር፡ናይ መገሻ እገዳን ናብ ንብረት ዘይምንቅስቃስን ምልዓሉ ከምትቕበሎ ብምግላጽ ጅቡቲ ምስ ኤርትራ ንዘሎ ናይ ዶብን ግዝኣትን ኣፈላላይ ብመሰረት ዓለምለኸ ሕጊን ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ድሌታ ምዃኑ ሓቢሮም። ጅቡቲ ክሳብ ንክልቲኡ ወገናት ዝሰማምዕሉ ፍታሕ ዝርከብ ምስ ኤርትራ ዝጀመረቶ ዘተ ንምቕጻል ዘለዋ ሰናይ ድሌት ብምግላጽ ጅቡቲ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ጉዳይ ዓለምለኸ ዶብ፡ ልኡኣላዊነት ደሴት ዱመራ፡ ማያዊ ዶብን ኩነታት እሱራት ኹናት ኣብ ምሉእ ስምምዕ ክሳብ ዝበጽሑ ንምስራሕ በዚ አጋጣሚ ቃል ትኣትው ኢሎም ኣለው። ኣብ ጉዳይ እሱራት ኹናት ጅቡቲ 13 ምሩኻት ኣብ ትሕቲ ኤርትራ ከምዝርኸቡ ብምግላጽ ብቅልጡፍ ክፍትሑ ወይ ድማ ኤርትራ ሃለዋቶም ከተፍልጥ ምስ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር ከምዝሰርሕ ኣስሚሩሉ’ሎ። መንግስቲ ጅቡቲ ንኩነታት ኤርትራዊያን ምሩኻት ኹናት ኽከታተል ንላዕለዋይ ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፍነት ምሃቡ’ውን ሓቢሩ’ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%85%E1%89%A1%E1%89%B2-%E1%8A%95%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%88%95%E1%89%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%90%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%8A%A5%E1%8C%88%E1%8B%B3-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%89%95%E1%89%A0%E1%88%8E-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BB\/4662009.html"} {"headline":"ርእይቶ ነበርቲ ከተማ ኣስመራ ኣብ ምልዓል እገዳ ኤርትራ","content":"ምልዓል እገዳ ኣብ ዕብየትን ምዕባለን ህዝብን ሃገርን ዓቢ ተራ ከምዘለዎ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ኣስመራ ገሊጾም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8A%A5%E1%8C%88%E1%8B%B3-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB\/4660535.html"} {"headline":"ርእይቶ ካብ ተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምልዓል እገዳ","content":"እቲ ምልዓል እገዳታት ጽቡቕ እዩ ምኽንያቱ ከም ህዝቢ ከፋፊሉና ዝፀንሐ ፀሊም መጋረጃ ነይሩ ሕጂ ናብ ውሽጣዊ ሽግርና ክነድህብ ዕድል ስለዝህበና ዝበለ ካብ ደምበ ተቓውሞ ሰለሞን ገብረየሱስ ንድምጺ ኣሜሪካ ርእይትኡ ሂቡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%88%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8A%A5%E1%8C%88%E1%8B%B3-\/4660513.html"} {"headline":"ጽንብል ኤርትራዊያን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ንምልዓል እገዳ","content":"ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዳርጋ 10 ዓመታት ኣንቢሩዎ ዝፀንሐ ማዕቐብ ምልዓል ኤርትራዊያን ብዝተፈላለዩ ስምዒታቶም ይገልፁ ኣለው። ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ዝነብሩ ኤርትራዊያን ኣሜሪካዊያን ትማሊ ምሸት ናይ ሓጎስ ምሸት ጸንቢሎም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%BD%E1%8A%95%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8B%E1%88%BD%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%89%B0%E1%8A%95-%E1%8B%B2%E1%88%B2-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8A%A5%E1%8C%88%E1%8B%B3\/4660477.html"} {"headline":"ኣቶ ያሬድ ዘሪሁን ናብ ኬንያ ክሃድሙ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምውዓሎም ዓቃቢ ሕጊ ኣፍሊጡ","content":"ናይ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕነትን ምኽትል ዳይረክተር ዝነበሩ ኣቶ ያሬድ ዘሪሁን ናብ ኬንያ ክሃድሙ ክብሉ ትማሊ ኣብ ዱከም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም ክብል ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ገሊፁ።ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይውዕሉ ናይ ዘለው ሰበስልጣን እውን ይውስኽ ኣሎ።ብኻልእ ዜና ጀነራል ክንፈ ዳኘው መንግስቲ ጠበቓ ይመድበለይ ኢሎም ንዘቕረቡዎ ሕቶ ቤት ፍርዲ ነፂጉዎ። ዳይረክተር ህዝባዊ ርክባትን ኮሚኒኬሽንን ጠቕላሊ ፌደራል ዓቃቢ ሕጊ ኣቶ ዝናቡ ተኑ ቁጽሪ ኣብ ቀይዲ ይውዕሉ ናይ ዘለው ተጠርጠርቲ ይውስኽ ከምዘሎ ገሊጾም። “ምኽትልዳይረክተር ኣገልግሎት ሃገራዊ ድሕነትን ኮሚሽነር ፌደራል ፖሊስን ዝነብሩ ኣቶ ያሬድ ዘሪሁን ብኬንያ ኣቢሎም ንምህዳም ኣብዝገበሩዎ ፈተነ ኣብ ከተማ ዱከም ተታሒዞም ኣለው።” ንክስታት ብልሽውና የፃሪዩ ኣብ ልዕሊ ዘለው ሰብ ሙያ ብምፍርራሕ ንስራሓቲ ዓቃቢ ሕጊ ዓንቂፎም ዝበሉዎም ናይ ኢትዮ ቴሌኮም ሓላፊ ድቪዥን ደሕንነት ኮሎኔል ጉዴታ ኦላና እውን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም ሓቢሮም። ኣቶ ዝናቡ ብተወሳኺ ተጠርጠርቲ በብእዋኑ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ይውዕሉን ንቕድሚት እውን ዝእሰሩ ስለዝህልውን በዝሒ ዝተኣስሩ ምስተዛዘመ ክግለፅ እዩ ኢሎም ። ብዛዕባ ኣብ ኣገልግሎት ሃገራዊ ድሕነት ዝለዓለ ሓለፍነት ዝነበሮምን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘይውዓሉን ዝተሓተቱ ኣቶ ዝናቡ ከምዚ ኢሎም። “ኣብ መጀመሪያ ዙር ኣብ ትሕቲ ቀይዲዝኣተውን ዘይተትሓዙን ተጠርጠርቲ ኣለው።በብግዚኡ እናተፈለዩ ብዝተፀንዐን ብጥንቃቐን ኣብ ትሕቲ ቀይዲዝውዕልሉ ኩነታት ስለዝህሉ እዚ ድማ ኣብ ከይዲ መስርሕ ስለዘሎ ከምዚ ዝበለ ሰብ ተሪፉና’ሎ ወይ ኣኺሉና’ሎ ዝብል ዝተፈለየ ሓበሬታ የብልናን።” ምስዚ ብዝተሳሰረ ዜና መንግስቲ ንጀነራል ክንፈ ዳኘው ጠበቓ ክምድበሎም ዝሃቦ ትእዛዝ ፌደራል ቤት ፍርዲ ነጺግዎ። ፖሊስ ኣብ መዝገብ ምርመራ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘውን ሓዎም ኣቶ ኢሳያስ ዳኘውን ንቤት ፍርዲ ኣብዘቕረቦ ጥርዓን ተጠርጣሪ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው መንግስቲ ጠበቓ ይመድበለይ ዝበሉዎ ብምቅዋም ሃብቲ ከምዘለዎ ዘርኢ መርትዖ ኣለኒ ኢሉ። ‘’ኣብ ባንኪ ዘለኒ ገንዘብ ሓሙሽተ ሽሕ እዩ፣ገዛ ይኹን ካልእ ንብረት እውን የበልይን’’ ኢሎም ጀነራል ክንፈ ንቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል: ፖሊስ ኣብ ባንክ ሒሳብ ጀነራል ክንፈ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ሽሕ ብር ምውፅኡ መረጋገፂ ሰነድ ባንኪ ኣለኒ፤ካልእ ሃብቲ ከምዘለዎም እውን ሓበሬታ ኣለኒ ኢሉ። ቤት ፍርዲ ንክርክር ክልቲኦም ወገናት ሰሚዑ መንግስቲ ጠበቓ ክምድበሎም ትማሊ ዝሃቦ ውሳነ ብምስዓር ናይ ውልቂ ጠበቓ ወይ ንርእሶም ወኪሎም ክከራኸሩ መማረፂ ምስሃቦም ተጠርጣሪ ምስ ስድርኦም መኺሮም ጠበቓ ሒዞም ንምቕራብ ሓቲቶም። ቤት ፍርዲ ን11 ሕዳር 2011 ዓ\/ም ቆፀሮ ሂቡ’ሎ። ብኻልኦት ክልተ ናይ ምርመራ መዛግብቲ ፖሊስ ናብ ቤት ፍርዲ ዘቕረቦም ካልኦት ተኸሰስቲ እውን ተወሳኺ ናይ ምርመራ መዓልታት ሓቲቱ ተፈቒዱሉ’ሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ትማሊ ኣማሲዩ መግለፂ ዘውፅአ ናይ ኣምሓራ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ስርቅን ኢሰብኣዊ ተግባራትን ብምፍፃም ዝጥርጠሩ ንዝኾነ ይኹን ብሄር ኣይውክሉን፤ኣብ ልዕሊ ዜጋታት መጥቓዕቲ ይፍፅሙ ዝነበሩ ውልቀሰባት ናብ ሕጊ ክቐርቡ ዝተወስደ ስጉምቲ ድማ ክልላዊ መንግስቲ ከምዝድግፎን ሕጋዊ ሓገዝ ንምሃብ ድልዊ ምዃኑን ሓቢሩ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%89%A0%E1%88%AC%E1%89%B3%E1%8A%95-%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%89%B5%E1%88%8D-%E1%8B%B3%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%8A%AD%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A9-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%AC%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%8A%AD%E1%88%83%E1%8B%B5%E1%88%99-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%8B%93%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8B%93%E1%89%83%E1%89%A2-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4660447.html"} {"headline":"ምክትል ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ስለያን ኢትዮጵያ ኣቶ ያሬድ ዘሪሁን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ","content":"ምክትል ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ስለያን ኮሚሽነር ኮሚሽን ፈደራል ፖሊስ ዝነበሩ ኣቶ ያሬድ ዘሪሁን ትማሊ ሓሙስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ ። ንማእሰርቲ ኣቶ ያሬድ ዘሪሁን ዓቃቢ ሕጊ ብርሃኑ ጸጋይ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ አረጋጊጾም ኣለው እንተኾነ ተወሳኺ መብርሂ ግን ኣይሃቡን። ኣቶ ያሬድ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፈደራል ፖሊስ ኮይኖም ዝተመዘዙ ክኮኑ ከለው ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ካብ መዝነቶም ምልቃቖም ይዝከር ። ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ብክስታት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ብልሽውናን ኣስታት 63 ላዕለዎት ሰበ ስልጣን'ታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ይፍለጥ ። ብተወሳኺ ትማሊ ሓሙስ ንሓላፊ ክፍሊ ጸጥታ ኢትዮ ቴሌ ኮም ኣቶ ጉደታ ኦላና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ንመንግስቲ ቅርበት ዘለዎ ፋና ብሮድካስቲንግ ኤጄንሲ ሓቢሩ ። ይኹን ደአ እምበር ምክንያት ማእሰርቲ ኣቶ ጉደታ ብንጹር ከምዘይተገልጸ'ውን ፋና ገሊጹ'ሎ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%88%8D-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8A-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%88%88%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8C%80%E1%8A%90%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%8B%AB%E1%88%A8%E1%8B%B5-%E1%8B%98%E1%88%AA%E1%88%81%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4659851.html"} {"headline":"ውሳነ ባይቶ ጸጥታ ሕ\/ሃ ንምልዓል ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳን ግብረ መልሲ መንግስቲ ኤርትራን","content":"ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክለዓል ብምሉእ ድምጺ ውሳነ ኣሕሊፉ’ሎ። መንግስቲ ኤርትራ ኸአ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ዘውጽ ኦ መግለጺ ነቲ ውሳነ ብሃጎስ ከምዝተቐበሎን ብምግላጽ ነዚ ብጽንዓት መኪቶን ንዝበሎም ኣብ ውሽጢን ወጻኢ ዝነብር ህዝቢ አአርትራ ብምን አድ እዚ ማዕቐብ ብቐደሙ’ኸ ንምንታይ ተነቢሩ ክብል ሓቲቱ’ሎ። እቲ ኣብ ታሕሳስ 2009 ዝተነበረ ማዕቐብ ካብን ናብን ኤርትራ መሸጣ ኣጽዋራት ዝክልኽል መገሻ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስትን ወታሃደራዊ ሰበ ስልጣናትን ዝቕይድ’ዩ ኔሩ። እቲ ማዕቐብ ዝተነበረ ኤርትራ ምስ ኣብ ሶማል ዘለው ጥሩፋት ዕጡቓት ጉጅለታት ትድግፍ’ያ ክብል ተቆጻጻሪ ጉጅለ ህቡራት ሃገራ ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰርት’ዩ። ኤርትራ ግን ነዚ ክስታት ብተደጋጋሚ ክትነጽግ ጸኒሓ’ያ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%90%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%8A%A5%E1%8C%88%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95\/4658750.html"} {"headline":"ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝፍጸም መጥቓዕቲ ደው ክብል ዝጽውዕ ሰልፊ ኣብ ኣዲስ አበባ ተኻይዱ","content":"ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኦሮሚያ ዝመፃ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዝፍፀም መጥቓዕቲ ደው ይበል ብምባል ናብ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ብምኻድ ጥርዓነን ኣቕሪበን። ናብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝመፃ ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ ወ\/ሮ ዱሌ ሲዳ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብዝሃብኦ ርእይቶ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስርዓት ገዳ ዘለውን ተራ ቀንዲ መንቀሊና እዩ ኢለን። “ሕጂ ኣብ ሃገርና ካብ ኩሉ ኣንፈት ይልዓል ብዘሎ ፀገም ቅድሚ ኩሉ ዝጥቅዓ ዘለዋ ኣዴታትን ህፃናትን እየን።ኣብ ኩሉ ኣንፈት ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ኦሮሚያ ዘሎ ኩነታት ኣዴታትን ህፃናት ከቢድ መጥቓዕትን መጉዳእትን ይወርዶም ስለዘሎ ካብ መነባብርኦም ይመዛበሉ ስለዘለው፣ኣብ ፈቖዶ መንገዲ ይሓርሳ ስለዘለዋን ብጠበንጃ እናተውቕዓ እናሞታ ስለዝኾና እዩ ድምፅና ከነስምዕ ኣብዚ ዘለና” ኢለን። እተን ሰልፈኛታት ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ይፍፀም ዘሎ ዝበልኦ እውን ኣልዒለን ኣለዋ። ናብ ዋና ኣማሓዳሪ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ለማ መገርሳ ጥርዓነን ዘቕረባ እዘን ደቂ ኣንስትዮ ምስ ወኪላተን ከምዝተዘራረቡ ተፈሊጡ’ሎ።ርእይቶ ክልል ኦሮሚያ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A8-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%8C%B8-%E1%8B%B0%E1%89%82-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AE-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B0%E1%8A%95\/4658587.html"} {"headline":"ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ዋና ዳይሬክተር ሜቴክ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም","content":"ዋና ዳይረክተር ናይ ሓፂንን ኢንጂነሪንግን ኮርፐረሽን ሜቴክ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ሎሚ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረቡን መንግስቲ ጠበቓ ክምድበሎም ሓቲቶም። ትማሊ ኣብ ከባቢ ሑመራ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ዝተገልፁ ጀነራል ክንፈ ደሞዞም ኣርባዕተ ሽሕ ስለዝኾነ ብውልቆም ጠበቓ ክቖፅሩ ስለዘይኸአሉ መንግስቲ ጠበቓ ክምድበሎም ሓቲቶም።ኣቶ ኢሳያስ ዳኘው ዝተበሃሉ ካልእ ተጠርጣሪ እውን ብተመሳሳሊ መንግስቲ ጠበቓ ክምድበሎም ሓቲቶም ኣለው።ካልኦት ተጠርጠርቲ እውን ሎሚ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ኣለው። ቤት ፍርዲ ንፅባሕ ቆፀሮ ሂቡ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%8B%88-%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8B%B3%E1%8B%AD%E1%88%AC%E1%8A%AD%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%88%9C%E1%89%B4%E1%8A%AD-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%89%80%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/4658580.html"} {"headline":"ርእይቶ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ጉዳይ ኣብ ኢትዮጵያ ብብልሽውናን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተው ሰበ ስልጣን","content":"ኣብ ቀረባ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብገበን ብልሽውናን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ጠርጢረዮም ዝበሎም ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ’ሎ። ኣብዚ ጉዳይ ጠሚቱ መግለፂ ዘውፀአ መንግስቲ ትግራይ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንልዕልነት ሕጊ ከምዝሰርሕ ገሊፁ። ብተወሳኺ እውን ኣብዛ ሃገር ብብልሽውናን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ብዝብል ይካየድ ዘሎ ወፍሪ ሓደ ብሄር መሰረት ዝገበረ ከይኸውን ክንቃለስ ኢና ክብል ገለፁ። ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ፖለቲካል ሳይንስን ስትራቴጂካዊ መፅናዕትን ኣይተ ሰይፈ ሃይሉ እቲ ይወስድ ዘሎ ስጉምቲ ካብ ምኽባር ልዕልነት ሕጊ ፖለቲካዊ መልክዕ ዝሓዘ ሊህቃን ተጋሩ ንምጥፋእ ዝዓለመ እዩ ኢሎም። ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ተቓዋሚ ውድብ ዓረና ንልኡላውነትን ዴሞክራስን ኣይተ ዓምዶም ገብረስላሴ ብወገኖም እቲ ይውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ብሄር መሰረት ዝገበረ እዩ ኢልካ ንምዝራብ ዘድፍር ኣይኮነን ኢሎም። ሰብ ሕድሪ ሲቪል ማሕበረሰብ ብወገኑ ኣብ መፅናዕቲ ዝተመስረተን ሚዛናዊ ተሓታትነት ሕጊ ክህሉ ከምዝግባእ ይኣምን እየ ብምባል ኮይኑ ግና ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብዛ ሃገር ብሽፋን ልዕልነት ሕጊ ተጋሩ ናይ ምድኻም ስራሕ እዩ ኢሉ ከምዝኣምን ገሊፁ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%8B%88%E1%8C%88%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%88%BD%E1%8B%8D%E1%8A%93%E1%8A%95-%E1%8C%A5%E1%88%95%E1%88%B0%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%8B%8D-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-\/4658567.html"} {"headline":"ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝጸንሓ እገዳ ክለዓል ወሲኑ","content":"ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንዝሓለፈ 9 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝጸንሓ እገዳ ክለዓል ሎሚ ረቡዕ ውሳነ ኣሕሊፉ።እቲ ውሳነ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝጸንሓ ኹናት ብሰላም ድሕሪ ምዝዛሙን ዝምድና ኤርትራን ጅቡቲን ናብ ንቡር ክምለስ መስርሕ ብምጅማሩ ምዃኑን ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ረቒቅ ሓቢሩ’ሎ። ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኤርትራን ጅቡቲን ዝምድናአን ናብ ንቡር ክምለስን ኣብ መንጎ ዝጸንሓ ምስሕሓብ ዶብ ብሰላም ክፈትሓ ዘተሓሳሰበ ክከውን ከሎ ንጠቕላሊ ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተርስ ድማ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ የካቲት 15,2019ን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጸብጻብ ከቕርብን ውሳነ ኣሕሊፉ’ሎ። እቲ ናይ መገሻን ካልእ እገዳ ኤርትራ ንዕጡቓት ጉጅለታት ሶማል ትድግፍ’ያ ብዝብል ክሲ ኣብ 2009 ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ዝተነበረ ክከውን ከሎ ኤርትራ ድማ ነቲ ክሲ ብተደጋጋሚ ክትነጽግ ምጽንሓ ይዝከር። ኣብ ወርሒ ሓምለ,2018 ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ኣብ መንጎኣን ዝጸንሓ ኹናት ደው ከብላ ድሕሪ ምስምማዓን ኤምባሲታት ፡ መስመር ቴሌፎን፡መንገዲ ኣየርን መጉዓዝያ መሬትን ምጅማረን ይፍለጥ። ብተወሳኺ ኤርትራን ጅቡቲን ነቲ ኣብ 2008 ኣብመንጎኣን ዝተፈጥረ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ንምፍታሕን ዝምድነኣን ንምምሕያሽን ኣብ ወርሒ መስከረም ምስምማዓን ይፍለጥ። ኣብ ናይ 2017 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሓ ግጭት ዶብ ብሰላም እንተተዛዚሙ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ዝተነብረ እገዳ ንክለዓል ዳግመ ግምት ከምዝግበረሉ ሓቢሩ ኔሩ`ዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%88%95%E1%89%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%93-%E1%8A%A5%E1%8C%88%E1%8B%B3-%E1%8A%AD%E1%88%88%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8B%88%E1%88%B2%E1%8A%91\/4658250.html"} {"headline":"ዓቃብ ሕጊ ተሓቢኦም ንወጻኢ ሃገራት ዝኸዱ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምእታው ይሰርሕ ኣለኹ ይብል","content":"ዳይሬክተር ሃገራዊ ኮርፐረሽን ሓጺንን ኢንጂነሪንግ (ሜቴክ) ዝነበረ ብርጋደር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ኣብ ሑመራ ብፖሊስ ተታሒዙ ኣዲስ አበባ ኣትዩ’ሎ። ክሃድሙ ዝፈተኑን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተሓብኡን ካልኦት ብብልሽውና ንዝተጠርጠሩ ሰብ ስልጣን ንምሓዝ’ውን ጻዕሪ ይግበር ከምዘሎ ፈደራል ዓቃቢ ሕጊ ኣፍሊጡ’ሎ። ብቐዳም ሓለፍቲ ሜቴክን ጸጥታን ዝነበሩ ብዝፈጸምዎ ተግባር ኣዝዩ ዘስካሕኽሕ ከምዝኾነ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ አዲስ አበባ ምግላጾም ይዝከር። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%89%83%E1%89%A5-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8A%95%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8A%B8%E1%8B%B1-%E1%89%B0%E1%8C%A0%E1%88%AD%E1%8C%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8D-%E1%8B%AD%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8A%B9-%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%8D\/4657019.html"} {"headline":"ኣብ ሞያሌ ብዘጋጠመ ግጭት 5 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቦረና ከተማ ሞያሌ ካብ ክልል ሶማሊያ ዝመፁ ዝተበሃሉ ዕጡቓት ብዝፈፅምዎ መጥቓዕቲ እንተወሓደ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ነበርቲ ንቪኦኤ ገሊፆም። ኣማሓዳሪ እታ ከተማ ኣቶ ፉጊቻ ደንጌ እቲ ግጭት ምቕፃሉን ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ድማ ይጻረይ ምህላው ገሊፆም ኣለው። በቲ ግጭት ኣብታ ከተማ ዝርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ከምዝተቓፀለን ካልኦት ኣባይቲ እውን ምዕናዎምን ወሲኾም ሓቢሮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9E%E1%8B%AB%E1%88%8C-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-5-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/4656849.html"} {"headline":"ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ\/ሃ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነበረ እገዳ ክለዓል ጽባሕ ረቡዕ ድምጺ ክህብ’ዩ","content":"ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ\/ሃ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነበረ እገዳ ክለዓል ጽባሕ ረቡዕ ድምጺ ክህብ’ዩ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝጸንሐ ውጥረት ብሰላም ድሕሪ ምዝዛሙን ምስ ጅቡቲ ዝጸንሓ ውጥረት ዝሰፈኖ ዝምድና ናብ ንቡር ይምለስ ብምህላውን ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ\/ሃ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ዝጸንሐ ናይ ኣጽዋር ካልእን እገዳ ክለዓል ጽባሕ ረቡዕ ውሳነ ክሕልፍ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ዲፕሎማት ይገልጹ`ለዉ። ስሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ዲፕሎማት ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብዝሃብዎ ሓበሬታ መሰረት 15 አባላት ዘለውዎ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ልዝቦም ትማሊ ሶኑይ ከምዝዛዘሙን ኣብቲ ብብሪጣንያ ዝቐረበ ረቒቅ ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክልዓል ከምዝተሰማምዑን ይሕብሩ። ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኤርትራ ንዕጡቓት ጉጅለታት ግብረ ሽበራ ሶማል ሓገዝ ትህብ’ያ ብዝብል ክሲ ኣብ 2009 እገዳ ምንባሩ ይፍለጥ፡ ኤርትራ ግን ነቲ ክሲ ብተደጋጋሚ ክትነጽጎ ጸኒሓ`ያ። እቲ ረቒቅ ክትግበር ትሸዓተ ናይ ደገፍ ድምጺን ካብ ዓብላሊ ድምጺ ዘለወን ኣሜሪካ፡ቻይና፡ሩስያ፡ብሪጣንያንን ፈረንሳን ድማ ተቓውሞ ክገጥሞ የብሉን ዝበሉ ርእይቶኦም ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዝሃቡ ዲፕሎማት፡ ድምጺ ናይ ኩሎም አባላት ተመሳሳሊ ከምዝኸውን’ውን ኣንፊቶም ኣለው። እቲ ብብሪጣንያ ዝቐረበ ረቒቅ ምልዓል ናይ ኣጽዋር እገዳ ንሰበስልጣን ኤርትራ ናይ መገሻን ናይ ንብረት ከየንቀሳቅሱ ዝክልክል እገዳ ክለዓል ዝብል ምኳኑ ሮይተርስ ኣገረጋጊጹ’ሎ። እቲ ቤት ምኽሪ ብተወሳኺ ኤርትራን ጅቡቲን ዝምድናአን ናብ ንቡር ክምለስን ኣብ መንጎ ዝጸንሓ ምስሕሓብ ዶብ ብሰላም ክፈትሓ ዘተሓሳሰበ ክከውን ከሎ ንጠቕላሊ ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተርስ ድማ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ የካቲት 15,2019 ጸብጻብ ከቕርብ ውሳነ ኣሕሊፉ’ሎ። ኣብ ናይ 2017 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሓ ግጭት ዶብ ብሰላም እንተተዛዚሙ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ዝተነብረ እገዳ ንክለዓል ዳግመ ግምት ከምዝግበረሉ ሓቢሩ ኔሩ`ዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%8A%A5%E1%8C%88%E1%8B%B3-%E1%8A%AD%E1%88%88%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8C%BD%E1%89%A3%E1%88%95-%E1%88%A8%E1%89%A1%E1%8B%95-%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BA-%E1%8A%AD%E1%88%85%E1%89%A5-%E1%8B%A9\/4656597.html"} {"headline":"ሄለን መለስ ኣብ ምርኢት ሙዚቃ መቐለ “ኣድሓ” ብእትብል ፍልጥቲ ዜማኣ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ተዘራርብ","content":"ንምሕያል ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝዓለመ ምርኢት ሙዚቃ ኣብ መወዳእታ`ዚ ሰሙን ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ ኔሩ። ካብ ኤርትራ ዝተዓደሙ ድምጻውያን ሄለን መለስን ናሆም የውሃንስን ነቲ ብኣማኢት ኣሸሓት ተዓዘብቲ ዝተረኸብሉ ኣፍደገ ሓወልቲ ሰማዕታት መቐለ ከምዘናወጹ ኣብኡ ዝተረኽቡ ይገልጹ። ይኹን`ምበር ብግለ ሰባት ዝተፈላለየ ትርጉም ዝውሃባ `ኣድሓ` ትብል ዜማ ሄለን መለስ ኣብ መቐለ ብገለ ከየዘራረበት ኣይሓለፍትን። ጸብጻባት ወኪላት ቪኦኤ ኣለም ፍስሃን ሙሉጌታ ኣጽብሃን ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡- No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%84%E1%88%88%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%88%88%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%A2%E1%89%B5-%E1%88%99%E1%8B%9A%E1%89%83-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%8B%B5%E1%88%93-%E1%89%A5%E1%8A%A5%E1%89%B5%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8D%8D%E1%88%8D%E1%8C%A5%E1%89%B2-%E1%8B%9C%E1%88%9B%E1%8A%A3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9A%E1%8B%B2%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AD%E1%89%A5\/4655413.html"} {"headline":"ካልኣይ ዓለምለኸ ኮንፈረስ ኣብ ዓውድታት ሳይንስን ምህዞን ዝነጥፋ ደቂ ኣንስትዮ","content":"ዩኒቨርስቲ መቐለ ዘዳለዎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣመራርሓ፣ ሳይንስ፣ ምህዞን ቢዝነስን ዘለወን ተሳትፎ ዘሕይል ካልኣይ ዓለምለኸ ኮንፈረስ ይካየድ ኣሎ። ኣብቲ ኮንፈረንስ ደቂ ኣንስትዮን ኣባላት ካቢኔ ሚንስትራት ካልኦት ኣብነታዊያንን ዕውታትን ደቂ ኣንስትዮ ተረኺበን ተመክሮኣን አካፊለን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A3%E1%8B%AD-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%8A%AE%E1%8A%95%E1%8D%88%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%B3%E1%8B%AD%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%8B%9E%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%8C%A5%E1%8D%8B-%E1%8B%B0%E1%89%82-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AE\/4652286.html"} {"headline":"ፕረዚደንታት ኤርትራን ሶማል ኣብ ክልል ኣምሓራ ዑደት የካይዱ","content":"ናይ ኤርትራፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂን ንፈለማ ግዜ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝገበርዎ ዑደት ጀሚሮም። ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ሓዊሱ ላዕለዎት ሰበስልጣን እታ ሃገርን ነበርቲ ከተማ ጎንደርን ሎሚ ንጉሆ ድሙቕ ኣቀባብላ ገይረምሎም ኣለው። ምሉእ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8B%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/4652276.html"} {"headline":"መራሕቲ ኤርትራ ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ ከተማ ጎንደርን ባህርዳርን ይበጽሑ","content":"ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ሎሚ ከተማ ጎንደር ኣትዮም ኣለው። ኣብቲ ርክብ ንምዕባለታት ኣብ ሓምለ 9 ኣብ ኣስመራ ዝተፈረመ ስምምዕ ስላማ ክልቲኣን ሃገራት ከምዝዝትዩ ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ። ብተወሳኺ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ወርሒ መስከከረም ኣብ ኣስመራ ዝተካየደ ሱሉሳዊ ርክብ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሶማል መራሕቲ ሰለስቲኣን ሃገራት ሎሚ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ተራኺቦም ከምዝዝትዩ ተገሊጹ'ሎ። ኣብ ናይ ከተማ ጎንደር ዑደቶም ንዩኒቨርሲቲ ጎንደር: ንናይ ሕርሻ መስሮ ደምቢያ ወረዳ ከምኡ'ውን ቡሬ ኣግሮ ኢንደስትሪ ፓርክ ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም። መራሕቲ ሰለስቲኦም ሃገራት ኣብ ቁጠባዊ ምውህ ድን ዞባዊ ጉዳያት ንምዝታይ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ከተማ ባህር ዳር ምእታዎም ተገሊጹ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8B%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/4651531.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዑደት የካይዱ","content":"ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ጽባሕ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዑደት ንምፍጻም ንዝኣትዉ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንምቕባል ከተማ ጎንደር ኣትዮም። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ኸተማ ጎንደር ታሪኻዊ ቦታታትን ስርሓት ልምዓትን ከምዝዕዘቡ መራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ጸብጺበን ኣለዋ። እቶም ፕረዚደንት ካብ ከተማ ጎንደር ናብ ኸተማ ባህርዳር ብምቕጻል ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ፋርማጆ ኣብ ዝርከብሉ ናይ ሰለስተ ሃገራት መራሕቲ ኣኼባ ክሳተፉ`ዮም። እቲ ስሉሳዊ ርክብ፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ኣኼባ ምዃኑ ተገሊጹ`ሎ። ብኣፈ-ጉባኤ ክልል ኣምሓራ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ኣስመራ ምስ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምርኻቡ ይዝከር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A2%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8B%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/4650354.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ትግራይ ዝንቀሳቀሱ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ጉዳይ ራያ፡አላማጣን ወልቃይትን እንታይ ይብሉ?","content":"ኣብ ከባቢታት ራያ ኣላማጣን ወልቃይትን ይረአ ዘሎ ክስተት ተቓወምቲ ውድባት ፖለቲካ ትግራይ ዘለወን ቅዋም ሓቲትና ኣለና። ዓረና ንሉዓላውነትን ዲሞክራስን እቲ ክስተት ዝተፈጠረ ፍትሒ ብዘይምህላው ዝመጸ እዩ ኢሉ ከምዝኣምን ገሊፁ። ዴሞክራስያዊ ምትሕብባር ትግራይ ብወገኑ ክሳብ ሐዚ ኣብ ክልቲኡ ከባቢታት ብሕጋዊ ኣሰራርሓ ተኸቲሉ ዝቀረበ ሕቶ መንነት ከምዘየለ ይኣምን ኢሉ። ክልቲኦም ውድባት ዝኾነ ሕቶ እንተዝህልው ብሕጊ መሰረት ክቐርብን ክምለስን ኣለዎ ኢሎም ከምዝኣምኑ ገሊፆም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8A%95%E1%89%80%E1%88%B3%E1%89%80%E1%88%B1-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%88%AB%E1%8B%AB-%E1%8A%A0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%89%83%E1%8B%AD%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%89%B3%E1%8B%AD-%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%89-\/4650302.html"} {"headline":"ኤርትራዊ መንእሰይ ካብ ሓመድ ዝተፈላለዩ ሕብርታት ይምህዝ","content":"ሃብቶም ገ\/ዮናስ ይበሃል። ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ስነ-ጥበብ ተውህቦ ዘለዎ መንእሰይ’ዩ። ድሕሪ ዘካየዶ ተደጋጋሚ ፈተነታት ካብ ሓመድ ንዝተፈላለዩ መዓላታት ዘገልግሉ ሕብርታት(ቀለማት)ከሰርሕ ክኢሉ’ሎ። ንውጽኢት ስርሑን ነቲ ሕብሪ ንምድላው ዝሓለፎ መስርሕን ከዕልለና ናይ ሎሚ ጋሻና ኮይኑ’ሎ።ሃብቶም ገ\/ዮናስ ነቲ ሕብሪ ንምድላዊ ዝደረኾ ቀንዲ ምኽንያት ብምግላጽ ይጅምር። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AD-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%93%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%AA%E1%88%91\/4650275.html"} {"headline":"ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኖም ዝተመዘዙ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ወረቐት ስርሖም ኣረኪቦም","content":"ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ሎሚ ሓሙስ ናይ ስራሕ ወረቓቕቶም ንሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶ\/ር ወርቅነህ ገበየሁ ኣረኪቦም። ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ ርኽብ ናብ ቀረባ ጊዜ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዝተኻየደ ዕርቀ ሰላም ብዝምልከት ከምዝዝተዩ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ምግላጹ ፋና ብሮድካስቲንግ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ’ሎ። ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ተጀሚሩ ዘሎ ርክብ ንግዲን ህዝብታት ንምሕያል ከምዘልድይ ኣስሚሩ’ሎ። ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ክለዓል ዝካየዱ ጻዕርታት ውጽኢት ይርከቦም ምህላዎምን ኢትዮጵያ ድማ እቲ እገዳ ምሉእ ንምሉእ ክሳብ ዝለዓል ጻዕርታታ ከምትቕጽል ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ምግላጾም ፋና ሓቢሩ’ሎ። ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ብወገኑ ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት ንምሕያል ከምዝሰርሑ ሓቢሮም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B3%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%88%B0%E1%88%98%E1%88%A8-%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%88%B6%E1%88%9D-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%96%E1%88%9D-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%89%93%E1%89%95%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%88%A8%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D\/4650129.html"} {"headline":"‘ዜጋታትና ኣባሪሮምና፤ሱዳን ተቐቢሎምና’ ናብ ሱዳን ካብ ዝሃደሙ ነበርቲ ምዕራብ ጎንደር","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ከባቢ መተማ ህውከት ተፈጢሩ፤ ህይወት ሰብ ጠፊኡ፤ሰባት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣለው።ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይን ብሄረሰብ ቅማንትን ዘተኮረ መጥቓዕቲ እንተኾነ እውን እቲ ዝኸፍአ ግን ኣብ ልዕል ተጋሩ እዩ ይብሉ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ምዕራብ ጎንደር።ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ነቲ መጥቓዕቲ ብምኹናን ናይ ክልል ኣምሓራ ላዕለዎት ሓለፍቲ ውልቀ ሰባት ኩነታት ንክርበሽ ኣመራርሓ ዝሃቡ ስለ ዝኾኑ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ይግባእ ክብል ትርር ዝበለ መግለጺ ኣውፂኡ’ሎ።ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ሎሚ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ድማ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ብምሕባር ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊፁ’ሎ። ብቕድሚ ትማሊ ሶሉስ ድሕሪ ስዓት ኣብ ከተማ መተማ መጥቓዕቲ ከምዝጀመረ ዝገለፀ ወናኒ ናይ መስተ ግሮሶሪ ብሃንደበት ብሰንኪ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ንህይወቱ ሃዲሙ ኣብ ወታደራዊ ካምፕ ከምዘዕቖበን ብፅባሒቱ ናብ ሱዳን ከምዝኣተወን ገሊፁ።ንብረቱ ከምዝተዘረፈን ከምዝተቓፀለን ሓቢሩ’ሎ። ንብረቱ ከምዝተቓፀሎ ዝገለፀ ካልእ ወናኒ ሹቕ ኣብ ከተማ መተማ ዝተረፉ ኣባላት ስድርኡ ኣውፅኡና ይብሉኒ ኣለው፤መውፅኢ ግን የለን ኢሉ። \"ዜጋታትና ኣባሪሮምና ሃገርና ዘይኮነት ሱዳን ድማ ብፅቡቕ ተቐቢሎምና’’ ክብል ገሊፁዎ። መቃ ኣብዝብሃል ከባቢ ምዕራብ ጎንደር ነባሪ ዝኾኑን መሳርሕትና ኣስቴር ምስጋናው ዘዘራረበቶምን ኣቶ ሙሉጌታ እሸቱ ናይ ዘርኢ ምጥፋእ ገበን ይፍጸም ኣሎ ይብሉ። ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ መንነት መሰረት ዝገበረ ንተጋሩ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ዝተፈላለዩ ብሄረ-ሰባት መጥቓዕቲ ተፈፂሙ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ጉድኣት ምብፃሕ ልሙድ ዜና ከምዝኾነ ይገልፅ። \"ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ 2008 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ተጋሩ ዝበፅሐ ጉድኣት ከቢድን ብተደጋጋሚ ሕገ-መንግስታዊ ጥሕሰት እናተፈፀመን ይርከብ፡፡’’እቲ መግለፂ ብምቕጻል ሳላ ፃዕሪ በብከባቢኡ ዝርከብ ህዝቢ እምበር ዝኸፍአ ጉዱኣት ክበፅሕ ምኽኣለ ነይሩ ይብል። ናብ ክልል ትግራይ ዝወስዱ መንገድታት መዕፃው ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት እናተቐረፁ ሰላምን ድሕነትን ህዝቢ ትግራይ ንምዝራብ ዘየቋርፅ ወፍሪ ቀፂሉ’ሎ ኢሉ ዝኸሰሰ መግለፂ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ናይዚ መቐፀልታ ዝኾነ ግፍዒ ኣብ መተማን ካልኦት ከባቢታትን ተፈፂሙ ይብል። ክልል ትግራይ ኣብዞም ሽግር ዝተፈጥረሎም ከባቢታት ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝኾኑ ውልቀሰባት ክልል ኣምሓራ እቲ ዕግርግር ንክፍጠር ኣመራርሓ ስለዝሃቡ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ይግባእ ኢሉ’ሎ።ክልል ኣምሓራን ፌደራል መንግስትን ንሕገ መንግስቲ ይጥሕሱ ኣብ ልዕሊ ዘለው ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስዱ እውን ፀዊዑ’ሎ ። ናይ ኣምሓራ ክልላዊ መንግስቲ ኣማሲዩ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ኣብ መተማን ሽንፋን ብዝተፈጥረ ግጭት ናይ ኣርባዕተ ሰባት ህይወት ምጥፍኡ ሓቢሩ’ሎ።ብሰንኪ እቲ ግጭት ጉድኣት ንዝወረዶም ከምዝሓዘነ ዝገለፀ እቲ መግለፂ እቲ ኣጋጣሚ ብምጥቃም እቲ ግጭት ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብምምሳል ካብዚ ትርፊ ንምርካብ ዝግበር ፈተነ ፈረ ኣልቦ እዩ ክብል ጠቒሱዎ’ሎ። ዛጊድ ዝወረደ ንብረት ዝተመዛበለን ህዝቢ ክንደይ ከምዝኾነ ዝተሓተቱ ሓላፊ ፖሊስ ኮሚሽን እቲ ክልል ኮሚሽነር ዘለኣለም ነዚ ዘፃሪ ጉጅለ ናብቲ ከባቢ ስለዝተልኣኸ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ዝተፃረየ ሓበሬታ ክነቕርብ ኢና ኢሎም።ነገራት ናብ ንቡር ምምላሶም እውን ሓቢሮም ኣለው። ኣብ ዝሓለፉ ሰሙን ኣብ ወረዳ ቋራ ከተማ ጎለጎ መንነት መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲ ምፍፃሙ ይዝከር።ቅድሚ ክልተ ዓመታት እውን ኣሽሓት ተወለድቲ ትግራይ ካብ መተማን ከባቢኡን ናብ ሱዳን ሃዲሞም ነይሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/etgiopia-amhara-conflict\/4648785.html"} {"headline":"ሓጺር ሌላ ምስ አባል ኮንግረስ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ጆ ንጉሰ","content":"ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ጆ ንጉሰ(ዮሴፍ ንጉሰ) ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ምርጫ ባይቶ (ኮንግረስ)ኣሜሪካ ንክፍለ ግዝኣት ኮሎራዶ ዝወከለ ፈላማይ ጸሊም ኣሜሪካዊ ኮይኑ ተዓዊቱ። ወዲ 34 ዓመት ጆ ንጉሰ በዓል ሞያ ሕጊን ተሓላቒ ሲቪል መሰላት ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኮሎራዶ ኣገልጊሉ። ወለዲ ጆን ቅድሚ 35 ዓመታት ካብ ኤርትራ ናብ ኣሜሪካ ብስደት ምስ መጹ ነቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝረኸብዎ ነጻነትን ዝተፈላለየ ዕድላት ብምጥቓም ንጆን ሓፍቱን ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ካብ ንእስነቶም ከምዝሳተፉ ጌሮም’ዮም። No media source currently available ጆ ንጉሰ ድሕሪ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኮሎራዶ ብዓውዲ ሕጊ ምምራቑ ወሃቢ ቃል ንናይ ሽዑ እዋን ተወካሊ ህዝቢ ክፍለ ግዝኣት ኮሎራዶ ዝነበረ ኣንድሪው ሮማኖፍ ብምኳን ሰሪሑ። ድሒሩ ንመንእሰያት ኣብ ምውሃብ ድምጺ ክነጥፉን ክሳተፉን ዝጉስጉስ ንትሪፊ ዘይሰርሕ ‘ኒው ኤራ ኮሎራዶ’ ዝብል ትካል መስሪቱ።እቲ ትካልብዘካየዶ ጎስጋስ ኣስታት 150,000 መንእሰያት ኣብ ምርጫ ኣሜሪካ ክሳተፉ ጌሩ’ዩ በዚ ኣበርክቶ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ አጋጣሚ ስም እቲ ትካል ክጥቐስ ይስማዕ። ኣብ 2008 ድማ ኣብ ቦርድ ዩኒቨርሲቲ ኮሎራዶ ካልኣይ ጸሊም ኣሜሪካዊ ብምዃን ንሽዱሽተ ዓመታት ሰሪሑ።ቐጺሉ ብዕድመ ዝነአሰ ኣብ ካቢነ ክፍለ ግዝኣት ኮሎራዶ ዝተመዘዘ ዜጋ ብምዃን ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኮሎራዶ ኤጄንሲ ምክልካል ሃልኪ ንክልተ ዓመታት ኣገልጊሉ። ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ዝካየድ ንተወከልቲ ህዝቢ ምምራጽ ዝካየድ ምርጫ ድማ ናይ መጀመርያ ንክፍለ ግዝኣት ዝወከለ ጸሊም ኣሜሪካ ብምኳን ትማሊ ሕዳር 6 ዝተኻየደ ምርጫ 2018 ኣባል ኮንግረስ ብምዃን ተዓዊቱ`ሎ። ጆ ድሕሪ ዓወቱ ኣብ ዘስምዖ መደረ ንመሳርሕቱን ወለዱን ብምምስጋን ወለዱ ዝሓሸ መጻኢ ንደቆምን ደቂ ደቆምን ንምምዕራይ ንዝኸፈልዎ ዋጋ ብምምስጋን “ወለደይን ንዝገጠሞም ብድሆ ሰጊሮም ነዚ ህይወት ክመርሕ ብምኽኣለይ ኣብዚ በጺሓ። ሳልኦም እየ ኣብዚ በጺሓ።ስደራይ ከም ስደተኛታት ንመጻኢ ወለዶ፡ ደቆምን ደቂ ደቆምን፡ ጎረባብቲ ንምሕያል ማሕበረሰብ ዝኸፈልዎ ዋጋ፡ ተማሃሮ ንዝሓሸን ዝበለጸን መጻኢ ዘቕረብዎን ዝካፍልዎም ሓሳባት ንሃገርናን ሕብረተሰብናን ዝሓሸ መዓልታት ኣብ ቅድሜና ከምዘሎ ዝሕብርን ተስፋን ርእሰ ተአማነትን ንዓይን ንዓኻትኩምን ንኩላትናን ዝህብ እዩ።” ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ ኣብ ኣሜሪካ ዘሎ ህልው ኩነታት ፈታኒ ጊዜ እዩ ዝበለ ጆ “ዋላ’ኳ ፍርሂ ተመሓላላፊ እንተኾነ ተስፋ’ውን ከምኡ እዩ” ኢሉ። ብተወሳኺ ሶማልያዊት ኣሜሪካዊት ኢልሃን ዑመር ካብ ክፍለ ግዝኣት ሚነሶታ ፓኪስታናዊት ኣሜሪካዊት ራሺዳ ጠይብ ፈላሞት ደቂ ኣንስትዮ ኣመንቲ እስልምና አባላት ባይቶ ኣሜሪካ ኮይነን ተመሪጸን ኣለዋ። ኢልሃን ድሕሪ ዓወታ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መጠይቕ ሎሚ ህዝቢ ካብ ፍርሂ ተስፋ ካብ ምክፍፋል ድማ ሓድነት ዝመረጸሉ መዓልቲ እዩ ኢላ። ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ትራምፕ ብተቕርቦ ተሪር ነቐፌታ ትፍለጥ ፍልስጤማዊት ኣሜሪካዊት ረሺዳ ጠይብ ብወገና አባል ኮንግረስ ብምኳና መርገጺኣ ከምዘይቕየር ሓቢራ’ላ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%8C%86-%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%B0-%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%88%88-%E1%8C%8D%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%8A%AE%E1%88%8E%E1%88%AB%E1%8B%B6-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%8A%A8%E1%88%88-%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8C%B8%E1%88%8A%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%AE%E1%8B%AD%E1%8A%91-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%8A%E1%89%B1\/4648765.html"} {"headline":"ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ዮሴፍ ንጉሰ ዝርከቦም ኣባላት ሰልፊ ደሞክራት ኣብ ምርጫ ኮንግረስ ተዓዊቶም","content":"ሰልፊ ዴሞክራት ኣሜሪካ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ኮንግረስ 219 ብ 193 ዝኾነ ውጽኢት ዓወት ዝቐንዖም ክኸውን እንከሎ: ሰልፊ ሪፖብሊካውያን ድማ ኣብ ምርጫ መናብር ሰነት 51ብ 45 ዝኾነ ውጽኢት ተዓዊቶም ኣለው። ብመሰረት ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ዝተረኽበ ውጽኢት ናይ ብ'ሚድ ተርም' ዝፍለጥ ኣብ ነፍስ ወከፍ ክልተ ዓመት ዝካየድ ምርጫ ኣሜሪካ እቲ ብሰልፊ ሪፖብሊካውያን ተዓብሊሉ ዝነበረ መናብር ኮንግረስ ናብ ሰልፊ ደሞክራትስ ዝተመሓላለፈ ክኸውን እንከሎ: መናብር ሰነት ግን ሕጂውን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰልፊ ሪፖብሊካውያን ኮይኑ ክቕጽል እዩ። ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኮሎራዶ ንመንበር ኮንግረስ ዝተወዳደረ ኣባል ሰልፊ ደሞክራት ብጆ ንጉሰ ዝፍለጥ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ዮሴፍ ንጉሰ ኣብታ ክፍለ ግዝኣት ተዓዊቱ ኣሎ። ዓወት ጆ ንጉሰ ንክፍለ ግዝኣት ኮሎራዶ ናይ ፈለማ ጸሊም ኣብ ምርጫ መንበር ኮንግረስ ብምዕዋት ፍሉይ ገይርዎ ይርከብ። ብተመሳሳሊ ካብ ክፍለ ግዝኣት ሚኖሶታ ኢልሃን ዑመር ዝተባህለት ሶማላዊት ኣመሪካዊት ከምኡውን ካብ ክፍለ ግዝኣት ሚሺጋን ፍልስጤማዊት ኣመሪካዊት ረሺዳ ጠይብ ብተመሳሳሊ ኣብ ምርጫ መናብር ኮንግረስ ናይ ፈለማ ደቂኣንስትዮ ኣመንቲ ምስልምና ኮይነን ተዓዊተን ኣለዋ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%AE%E1%88%B4%E1%8D%8D-%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%B0-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8B%B0%E1%88%9E%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%AE%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%A8%E1%88%B5-%E1%8B%93%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%8A%92%E1%8B%95%E1%8B%8E%E1%88%9D\/4648240.html"} {"headline":"ን20 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኤርትራ ዝጸንሓ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ነጋ ተገኝ","content":"ኣብ ኤርትራ ከተማ ኣስመራ ተወሊዱ ንዓቕሚ አዳም ምስ በጽሓ ተመርዕዩ፡ ቆልዑ ወሊዱ ክሳብ ጊዜ ናጽነት ኤርትራ ድማ ኣብኡ ይነብር ኔሩ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ብምዃድ ብሞያ ጋዜጠኝነት ቀጺሉ። ናብ ዝዓበየላ ከተማ ኣስመራ ስድራ ንምርኣይ ምስ ኸደ ኹናት ኢትዮ ኤርትራ ተወሊዑ። ንሱ’ውን ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተታሒዙ ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኤርትራ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝሓለፈ ቁሩብ መዓልታት ተፈቲሑ ናብ አዲስ አበባ ዝርኸቡ ስድራ ቤቱ ክጽንበር ክኢሉ’ዩ። ምስ ጋዜጠኛ ነጋ ተገኝ ዝተካየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%9520-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%93-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B-%E1%8A%90%E1%8C%8B-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%8A%9D\/4647245.html"} {"headline":"አባላት ኦነግ ስልጠና ኣብ ዝወስዱ መዓስከር ብዘጋጠመ ምስሕሓብ ክልተ ሰባት ምቁሳሎም ተገሊጹ","content":"ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ስልጠና ይወስዱ ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ብምልዓሎም ስዒቡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣባላት ኦነግ ጉድኣት ምውራዱ ተፈሊጡ። ኣብ ኣርዳይታ ማእኸል መሰልጠኒ ኣትዮም ስልጠና ካብ ዝከታተሉ ኣባላት ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብዝሃብዎ ርእይቶ እቲ ሰራዊት ዝተፈላለዩ ሕቶታት ኣቕሪቡ መልሲ ንምርካብ ኮፍ ኢሎም እናተፀበዩ ከለው ሓደ ሰብ ቪዲዮ ምቕዳሕ ብምጅማሩ ብዝተፈጥረ ምስሕሓብን ግጭትን፣ፖሊስ ነቲ ግጭት ንምቁፅፃር ናይ ትኪ ቦምብ ከምዝተኮሰን ብሰንኪ እዚ ክልተ ሰባት ከምዝቖሰሉን ይገልፁ። ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ እቲ ኩነታት ናብ ሰላም ምምላሱን ስልጠና ወዲኦም ኣብ ቀረባ ከምዝወፁን ገሊፆም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8C%8D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%88%93%E1%88%AD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9E-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A0%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%88%B5%E1%8B%B1-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%B5%E1%8A%A8%E1%88%AD-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%95%E1%88%93%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8C%89%E1%8B%B5%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4645535.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ሓድሽ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር መዚዛ","content":"ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ወ\/ሮ ቢልለኔ ስዩም ኸኣ ሴክራተሪ ፕሬስ ኮይነን ተሸይመን ኣለዋ። ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ ካብ ጽባሕ ጀሚሮም ስርሖም ክጅምሩ ምዃኖም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ኣቶ ፍጹም አረጋ ድማ ኮሚሽነር ዓውዲ ወፍሪ ብምኳን ከምዘገልግሉ ተፈሊጡ'ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8A-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8C%BD%E1%88%95%E1%8D%88%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%8B%9A%E1%8B%9B\/4645507.html"} {"headline":"ንተሽከርከርቲ ተዓጽዩ ዝቐነየ መስመር አላማጣ ቆቦ ተኸፊቱ","content":"ንኣስታት ሓደ ሰሙን ንተሽከርከርቲ ተዓፅዩ ዝነበረ መስመር መንገዲ ኣላማጣ ቆቦ ትማሊ ሰንበት ብሰራዊት ምክልኻል ሃገር ተኸፊቱ። እቲ መስመር ምዕፃዉ ኣብ ስርሖም ፅልዋ ፈጢርሎም ምንባሩ ርእይቶኦም ንድምጺ ኣሜሪካ ዝሃቡ ነበርቲ ኣላማጣን ቆቦን ተዛሪቦም። ኣብዚ ጉዳይ ጠሚቱ ዘዘራረብናዮም ምሁር ስነ ቁጠባ ዩኒቨርስቲ መቐለ ኣይተ ሙዑዝ ሓዱሽ ብወገኖም ብተደጋጋሚ መስመር መንገዲ ብሓይሊ ምዕፃው ህዝቢ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዝነበሮ እምነት ክጠፍእ ይገብሮ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%88%BD%E1%8A%A8%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8C%BD%E1%8B%A9-%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%8A%90%E1%8B%A8-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AD-%E1%8A%A0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8C%A3-%E1%89%86%E1%89%A6-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%8D%8A%E1%89%B1\/4645255.html"} {"headline":"መደበር ቴሌቭዥን ኤሪ-ሳት ስርሑ ጀሚሩ","content":"ገለ ኤርትራዊያን ነበርቲ ኣሜሪካ ኤሪ ሳት ብዝብል ምሕጻረ ቃል ዝጽዋዕ ናብ ኤርትራ ዝፍነው መደበር ቴሌቭዥን ከምዝጀመሩ ገሊጾም። ሓንቲ ካብኣቶም ካብ ካሊፎርንያ ብዛዕባ'ቲ መደበር ቴሌቭዥንን ዕላምኡን ከተብርሃልና'ያ። ገዛእ ርእሳ ብምልላይ ትጅምር። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8B%B0%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%89%B4%E1%88%8C%E1%89%AD%E1%8B%A5%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AA-%E1%88%B3%E1%89%B5-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%91-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9\/4640647.html"} {"headline":"ጻውዒት ኮምሽን መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ ናብ መንግስቲ ኤርትራ","content":"መንግስቲ ኤርትራ፣ ንጉዳይ ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ ኪዳነ፣ ብመንጽር ሰነድ ሰብኣዊን ህዝባዊን መሰላት ኮምሽን ኣፍሪቃ፣ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ግብረ መልሲ ንክህብ መጸዋዕታ ቀሪቡሉ። እቲ ቅድሚ 4 መዓልታት ናብ መንግስቲ ኤርትራ ዝተላኣኸ ደብዳቤ፣ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ ‘ብተወካሊ ሰሎሞን ወልደክርስቶስን ማሕበር ሕጊ ኤርትራዊያንን ንዝቀረበሉ ጥርዓን ተመኩዙ፣ 73 ዓመት ዝዕድሚኡ ኤርትራዊ ብርሃነ ኣብረሀ ኪዳነ፣ ሚኒስትር ዓለም ለኸ ምዕባለን ሚኒስትር ገንዘብን ኤርትራ ከምዝነበረ ይሕብር። ክልቲኦም ወገናት፣ ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ፣ 17 መስከረም 2018 ብሓይሊታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ዘይተነጸረ ቦታ ከምዝተወሰደ ገሊጾም’ለው። መንግስቲ ኤርትራ ዛጊድ ዝወሰዶ ስጉምቲ፣ እቲ ደብዳቤ ካብ ዝተላኣኸሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ብመሰረት ሕጊ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ቁጽሪ 98 ንኡስ ቑጽሪ 4 ግብረ መልሲ ንክህበሉ እቲ ኮምሽን ጸዊዑ’ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/request-for-provisional-measurews-under-rule-au-to-the-state-of-eritrea\/4640601.html"} {"headline":"ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ወረዳ ቋራ ነበርቲ ብሄር ተኮር መጥቓዕቲ ተፈፂሙና ኢሎም","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ወረዳ ቋራ ከተማ ገለጎ ናብ 22 ጥቅምቲ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ መንነት መሰረት ዝገብረ መጥቓዕቲ ከምዝተፈፀመ ግዳይ መጥቓዕቲ ኮይንና ዝበሉ ንቪኦኤ ገሊፆም። ንህይወቶም ክብሉ ኣብ ናይ ፌደራል ካምፕ ኣዕቒቦም ከምዝርከቡ ዝገለፁልና ዘዘራረብናዮም ብንግዲ ዝመሓደሩ ነበርቲ እታ ከተማ ዒላማ እቲ መጥቓዕቲ ተጋሩን ኣባላት ብሄረሰብ ቅማንትን ምዃኖም ይገልፁ።በቲ መጥቓዕቲ ሓደ ሰብ ምማቱን ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ ሰባት ናይ ኣካል ጉድኣት ከምዝወረደን ሓቢሮም ኣለው።ሓሙሽተ ናይ ዓለባ መሸጢ ቡቲካት፣ሓደ ናይ ነዳዲ መከፋፈልን ናይ ሓፂን መፂን መሸጢ መደብርን እውን ንብረት ተዘሪፉ በራሚል ነዳዲ ከምዝተቓፀለ ሰብ ንብረት ገሊፆም ኣለው። ተወላዲ ብሄረሰብ ቅማንት ዝኾነን ድሕሪ እቲ ግጭት ኣብ ከተማ ጭልጋ ከምዝርከብ ዝገለፀን ኣቶ ሃይለማሪያም ኣባተ እቲ መጥቓዕቲ መንነት ምሰረት ዝገበረ እዩ ይብል። ‘’እዚ ሽግር ቅድሚ ምፍጣሩ ቅምናትን ተጋሩን ካብ 21 ጥቅምቲ እንተድኣ ዘይወፂእኹም ስጉምቲ ንወስድ ኢና ዝብል መጠንቀቕታ ወረቐት ተለጢፉ ነይሩ’’ይብል። ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ወረዳ ቋራ ኣቶ ፈጠነ ጌጡ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ብህዝቢ ዝተልዓለ ሕቶ ፀገም ሰናይ ምሕደራ እንተሃለወ እውን ንወራር ዝተዋፈሩን ንዝኾነ ይኹን ዘይውክሉ እዮም ዝበሉዎም ነቲ መጥቓዕቲ ለይቲ ከምዝፈፀምዎ ሓቢሮም። ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-amhara-region-attack-on-qimants-and-tigrians\/4640429.html"} {"headline":"ቃለ-መጠይቕ ምስ ኣቶ ሳምሶን ምስግና ደራሲ መጽሓፍ ‘መግደራ’ቲ ጉዕዞ’","content":"ደራሲ ሳምሶም ምስግና መግደራ ቲ ጉዕዞ ዘርእስታ ንጉዳይ ጉዕዞ ስደት ብሓፈሻ ንኩነታት ኣሰቃቒ ህልቂት ስደተኛታት ኣብ ከባቢ ላምፓዱሳ ድማ ብፍላይ እትገልጽ መጽሓፍ ኣብዚ ቐረባ ግዝያት ንሕትመት ኣብቂዑ ኣሎ። እታ መጽሓፍ ኣብ 2001 ብመስመር ሱዳን-ሊብያ- ኣውሮጳ ናይ ዝተጉዓዘ ስደተኛ ዘለዋ ናይ ውልቂ ተመክሮ ምስ ኣብ 2013 ኣብ ላምፓዱሳ ዘጋጠመ ሞት ኣስታት 350 ኤርትራዊያን ዘስዓበ ምጥሓል ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጀልባ ዘተኮረት ምዃና ደራሲ ሳምሶም ይገልጽ። ንሱ ኣብቲ እዋን’ቲ ካብ ዝተዘርግሑ ጽሑፋትን ቃለ መጠይቕ ሓበሬታ ብምትሕሓዝ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ንዝኽሪ ግዳያት ላምፓዱሳ ‘መግደራ’ቲ ጉዕዞ’ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ሓቐኛ ፍጻሜ ዝተሞርከሰት መጽሓፍ ንሕትመት ከምዘብቅዐ ይጠቅስ። ምስ ደራሲ’ቲ መጽሓፍ ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%B2-%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%88%93%E1%8D%8D-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%8B%B0%E1%88%AB-%E1%89%B2-%E1%8C%89%E1%8B%95%E1%8B%9E-%E1%88%B3%E1%88%9D%E1%88%B6%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8C%8D%E1%8A%93\/4638754.html"} {"headline":"ኣብ ኤርትራ መምሃሪት(መለማመዲት) ምዝዋር መኪና ተሰሪሓ","content":"ፋሎም ተኽሉ፡ዮናስ ዑ\/ሚካኤል፡ዳኒኤል ዓ\/ሚካኤል፡ሮቤል ስልጣን፡ፊሊሞን መዓሾን ሳሙኤል ሙሴን ዝተበሃሉ መንእሰያት፥ኣብ ምምሃር መኪና ንዝርአ ጸገማትን ዝወስዶ ንውሓት ግዜን ወጻኢታትን ንምጉዳል ብዘለዎም ባህጊ ተደሪኾም ሓንቲ ብመልክዕ ጸወታ ዝተዳለወት መሰረታዊ ሕግታት ትራፊክን ምዝዋር መኪና ከም መምህር ኮይና እትምህር መሳርሒት ሰሪሖም ኣለዉ። እታ መሳርሒት፡ናይ ቃልን ግብርን ትምህርቲ ኣብ ናይ ተለቪዥን መስኮት እናርኣኻ ትመሃረላን ትፍተነላን ናይ ቅድመ መዳለዊ ወይ መለማመዲት ብምዃና ካብ ሓደጋን ወጻኢታትትን ተድሕን ከምዝኾነት ሰራሕታ ይዛረቡ። ሓደ ካብቶም ሰራሕታ ዝኾነ መንእሰይ ፋሎም ተኽሉ ፡መበገሲ ሓሳብ ናይ’ታ ስራሕ ብምግላጽ ይጅም። ምስ መሃዝቲ እዛ መምሃሪት መሳርሒት ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%98%E1%88%9D%E1%88%83%E1%88%AA%E1%89%B5(%E1%88%98%E1%88%88%E1%88%9B%E1%88%98%E1%8B%B2%E1%89%B5)-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8B%8B%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%8A%AA%E1%8A%93-%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%88%AA%E1%88%93\/4638803.html"} {"headline":"መስመር አላማጣ ቆቦ ንዝሓለፈ 4 መዓልታት ንተሽከርከርቲ ተዓጽዩ ምጽንሑ ተገሊጹ","content":"ክልል ትግራይ ምስ ክልል ኣምሓራ ዘራኽብ መስመር ኣላማጣ ቆቦ ንተሽከርከርቲ ካብ ዝዕፆ 4 መዓልታት ኣሓሊፉ’ሎ። እቲ መንገዲ ዝተዓፀወ ኣብ ከተማ ኣላማጣ ዝተኣሰሩ ሰባት ክፍትሕሎም ብዝሓተቱ ነበርቲ ከተማ ቆቦ ምዃኑ ተገሊፁ። መምርሒ ፖሊስ ዞባ ሰሜን ወሎ ከምዘፍለጦ እቲ ፀገም ንምፍታሕ ብሰላማዊ መንገድ ዘተ ይካየድ ኣሎ ኢሎም። ርእይቶኦም ዝሃቡና ገለ ነበርቲ ከተማ ኣላማጣ ብወገኖም እቲ መንገዲ ብምዕፃዉ ኣብ ስርሖም ዕንቅፋት ይኾኖም ከምዘሎ ተዛሪቦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AD-%E1%8A%A0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8C%A3-%E1%89%86%E1%89%A6-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%88%88%E1%8D%88-4-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%88%BD%E1%8A%A8%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8C%BD%E1%8B%A9-%E1%88%9D%E1%8C%BD%E1%8A%95%E1%88%91-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4638801.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ መዚዛ","content":"ፓርላማ ኢትዮጵያ ወ\/ሮ መዓዛ ኣሸናፊ ፈላመይቲ ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ’ታ ሃገር ክትከውን ብምምዛዝ ሎሚ ሓሙስ ቃለ መሓላ ፈጺመን። ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምምዛዝ ወ\/ሮ መዓዛ አሸናፊ ኣብያተ ፍርዲ’ታ ሃገር ዘለውን ዓቕሚ ብምምሕያሽ “ንፍትሒ፡ዲሞክራሲን ለውጢ ንዝቐረብ ጠለብ ከትግብራ ዝሕግዝ’” ኢሎም። ኣቐዲመን ፕረዚደንት ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ዝነበራ ወ\/ሮ መዓዛ ኣሸናፊ ናይ ሕጊ በዓልቲ ሞያ’ውን እየን። ምምዛዝ ወ\/ሮ መዓዛ ኣሸናፊ ክልተ ሰሙን ድሕሪ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ 10 ደቂ ኣንስትዮ አባላት ካቢነ ሚንስተራት’ታ ሃገር ክኾና ድሕሪ ምምዛዞም’ዩ። ኢትዮጵያ ንሩዋንዳን ሲሺልስን ስዒባ ፍርቂ አባላት ካቢነ ደቂ ኣንስትዮ ዝመዘዘት ሳልሳይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና አላ። ዝሓለፈ ሰሙን ወ\/ሮ ሳሕለወርቅ ዘውዴ ቀዳመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት ’ታ ሃገር ኮይነን ምሻመን ይዝከር። ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነጻ አካል’ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%98%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%8C%93%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8B%E1%8B%AD-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%88%98%E1%8B%9A%E1%8B%9B\/4638430.html"} {"headline":"ኣብ ዞባታት ቀሌም ወለጋን ምዕራብ ወለጋን ዝቐነየ ውጥረት ናብ ሰላማዊ ኩነታት ምምላሱ ነበርቲ ይገልጹ","content":"ኣብዚ ሰሙን ኣብ ምዕራባዊ ክልል ኦሮሚያ ብፍላይ ዞባታት ቀሌም ወለጋን ምዕራብ ወለጋን ዕጥቒ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ብሓይሊ ንምፍታሕ መንግስቲ ይገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ብዝምልከት ዝተላዕለ ተቓውሞ ሎሚ ናብ ሰላማዊ ኩነታት ምምላሱ ነበርቲ ገሊፆም። ቶኽሲ፣ምዕፃው መንገድን ምድራት ምንቅስቓስን ዝረአየሉ ዝጸንሓ ናይ ቀሌም ወለጋ ከተማ ደምቢደሎ ሎሚ ሰላም ምዃኑ ነበርቲ ገሊፆም ኣለው።ምንቅስቓስ መኪናን ከምዘሎን ኣብያተ ንግዲ እውን ከምዝተኸፈቱን ነበርቲ ወሲኾም ገሊፆም። ኣማሓዳሪ ቀሌም ወለጋ ኣቶ ታመነ ሃይሉ ብወገኖም ናብ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ንክጉዓዙ ምድላዎም ዛዚሞም መውፅኢ ስኢኖም ዝጸንሑ ተማሃሮ ሎሚ ብሰላም ከምዝተፋነው ሓቢሮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9E%E1%89%A3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%88%8C%E1%88%9D-%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8C%8B%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8C%8B%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%8A%90%E1%8B%A8-%E1%8B%8D%E1%8C%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8A-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%B1-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B9\/4637224.html"} {"headline":"'ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን' መዘራረቢ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ","content":"‘ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተኸትመ ውዕል ሰላም ካብ ብደረጃ መራሕቲ ናብ ህዝቢ ክሳብ ዘይወረደ ውጽኢታዊ ክኾን’ዩ ዝብል እምነት ከምዘይብሉ’ ይዛረብ ዶ\/ር በረከት ብርሃነ። ዶ\/ር ክንፈ ኣብራሃ ብወገኑ ‘እቲ ተበግሶ ሰላምን ምዕባለን ምስ ዝምልከቶም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ተራኺብካ ንምዝርራብ ምቅርራብ ከምዘሎ’ ጠቒሶም። መገዲ ራማ ዓዲዃላ ባሕቲ መስከረም ክኽፈት ከሎ ኣብ’ቲ ስፍራ ዝነበሩ መሰኻኽር ናይ ዓይኒ’ዮም ክልቲኦም ኣጋይሽና። ንሰላምን ምዕባለን ክልቲኤን ሃገራት ዝነጥፍ ማእከል መጽናዕትን ምርምርን ኣብ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ንምኽፋት ድልየት ከምዘሎ’ውን ይጠቕሱ ኣጋይሽና። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/eritrea-ethiopia-peace-deal-rama-adikuala-door-opend-kinfe-abraha-bereket-brhane\/4637240.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣውሮጳ ዝተአካከቡ ኢትዮጵያዊያን ንዝቕረቡሎም ሕቶታት መሊሶም","content":"ኣብ ኣውሮጳ ዑደት የካይዱ ዘለው ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣውሮጳ ዝተኣከቡ ኣሽሓት ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያን ኣብ ፍራንክፈርት ጀርመን ብምርኻብ ንዝቐረበሎም ሕቶታት መልሲ ሂቦም። ቀዳማይ ሚንስተር ኣብ መደርኦም “ኢትዮጵያ ዝኾነ ብድድ ኢሉ ከም ዝደለያ ዝስንክታ ናይ ውልቂ ርስቲ ዘይኮነት ዘመናት ዘቑፀረት፤ዓብይ ህዝቢ ዝመስረታ ሃገር እያ’’ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%88%AE%E1%8C%B3-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%95%E1%88%A8%E1%89%A1%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%88%95%E1%89%B6%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%8A%E1%88%B6%E1%88%9D\/4637212.html"} {"headline":"ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዝኾኑ ተወላዶ ትግራይ ሰልፊ አካይዶም","content":"ማሕበር ስቪል ማሕበረሰብ ሰብ ሕድሪ ዝሓለፈ ሰንበት ጥቅምቲ 18 ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም ዘተሓባበሮ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ መቐለ ተካይዱ ነይሩ፡፡ ኣቦመንበር ቦርድ እቲ ማሕበር መምህር መሓሪ ዮውሃንስ ዕላማ እቲ ሰልፊ ዝበልዎ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣብ ዝተፈላለየ ክልላት ዝምሃሩ ኣብ ሕማቅ ኩነታት ኮይኖም ብፍርሒ ተዋሒጦም ፣ ሎሚ ቀተሉና ፅባሕ ቀተሉና እናበሉ ስነ ኣእምሮኣዊ ፀቅጢ ፈጢሩሎም ምምሃር ውፅኢት ስለዘይብሉ ኣብ ዓዶም ክመሃሩ ይግባእ፡፡ ብፍላይ ሰላም ዘይሰፈነን ልዕልነት ሕገ መንግስት ዘይተረጋገፀለን ክልላት ብፈላይ ናብ ኣምሓራ ክልል ኪድ ተማሃር ኢልካ ምስዳድ ፍትሓዊ ኣይኮን ፡፡ ስለዚ መንግስት ኣብ ዓዶም ዝመሃሩሉ ኩነታት ከመዓራርዩ ይግባእ ይብሉ፡፡ ኣብ ሚንስተር ትምህርቲ ዳይረክተር ኮሚኒኬሽን ወይዘሮ ሃረጉዋ ማሞ ብወገነን ከም መንግስትን ኣካላት ዩኒቨርስትን ክስራሕ ዝግብኦ ስራሕን እኩል ምድላውን ስለዝተገበረ ብሰላማዊ መንገዲ ከይዲ ምምሃር ምስትምህር ከምዝቅፅል ይዛረባ፡፡ ምክንያቱ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብፌደራል መንግስቲ እየን ዝመሓደራ፡፡ ስለዚ ፌደራል ዘማሕድረን ላዕለዎት ትካላት ሰላመንን ህልውና ተማሃሮን ናይ ምሕላው ሓላፍነት ስለዘለዎም ብዝግባእ ሰሪሕናሉ እና ዝፍጠር ፀገም የለን ይብላ፡፡ ኣብቲ ሰልፊ ዝረከብኩዎ ጓል ኣንስተይቲ ተማሃሪት ድማ ንሓደ መዓልቲ ብሰላም ክትሓልፈሉ ዘይትክእል ክልል ን4 ዓመታት ኪድ ተማሃር ምባል ከቢድ እዩ ትብል። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%83%E1%88%AE-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%89%A8%E1%88%AD%E1%88%B2%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%8A%BE%E1%8A%91-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%B6-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D\/4635742.html"} {"headline":"በርሊን፡ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ኣብ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ጉጅለ 20 ንዝሳተፉ ዘለውን ንቀዳማይ ሚንስተር ንምድጋፍ ሰልፊ አካይዶም","content":"ኣብ ጀርመንን ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳን ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያን ንቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ንምድጋፍ ሰልፊ አካይዶም።ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ሓዊሱ 11 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ በርሊን ይካየድ ኣብዘሎ ኣብ ኣፍሪቃ ንዝካየድ ወፍሪ ዘተኾረ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ጉጅለ 20 ይሳተፉ ኣለው። ሎሚ ሰሉስ በርሊን ጀርመን ንዝኣተው ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ንምድጋፍ ኣብ ማእኸል እታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ‘’ብራንደንቡርግ’’ ብብዝሒ ተሰሊፎም።እቲ ኣደባባይ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ተቓውሞ እምበር ደገፍ ሰልፊ ተኻይድሉ ከምዘይፈልጥ ኣብ በርሊን ኣቦ ወንበር ኢትዮጵያዊያን ማሕበረሰብን ኣባል ኣቀባብላ ኮሚቴ ቀዳማይ ሚንስተርን ኣብይን ኣቶ ታደሰ ቶላ ይገልፁ። ምኽንያት ድጋፎም ን27 ዓመታት ክንዛረበሉ ዝነበርና ዝዛረብ መራሒ ብምርካብና እዩ ኢሎም። “ኣብ 27 ዓመታት ዘይተሰርሑ ዓበይቲ ስራሓት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ተሰሪሖም ኣለው።እዚ ዝጭበጥን ዝርኣይን ጉዳይ እዩ።በዚ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ዶ\/ር ኣብይን ጉጅልኦምን ምሉእ እምነት ኣለና።” ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ በርሊን ካብ ዝርከብ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ጀሚሩ ድሙቕ ኣቀባብላ ከምዝተገብረሎም ዝተዛረቡ ኣቶ ታደሰ ምስ መራሒት ጀርመን ኣንጌላ መርከል ኣብ ዝተራኸብሉ’ውን ብሃንደበት ኢትዮጵያዊያን ናብ ዝተኣከብሉ ምምፅኦም ሓቢሮም። በርሊን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣማኻሪ ዓውዲ ቢዝነስ ኣቶ ቴድሮስ ግርማ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ምስ መራሒት ጀርመን ኣንጌላ መርከል ብምርኻብ ኣብ ክልትኣዊ ጉዳያት ምዝርራቦም ሓቢሮም።ብG-20 ኣብ ዝተዳለወ ኣኼባ ምስታፎም እውን ገሊፆም። “ኣብ ጀርመን ብጉጅለ 20 ኣብ ዝተዳለወ ኣኼባ ምትሕብባር ቁጠባ ሓደ ካብዕዱማት ክቡር ቀዳማይ ሚንስተርና ብምንባሮም ኣብኡ ተሳቲፎም ኣለው።ፅቡቕ ልዝባት ዘካይድሉን ናይ ኢትዮጵያ ኢንቨስትመንትን ዓቕሚ ቢዝነስን ንዕዱማት ዘፋለጥሉን መደረ ዘስምዕሉን ነይሩ።” መራሒት ጀርመን ኣንጌላ መርኬል ጀርመናዊያንን ናይ ኢትዮጵያ ሰላምን ዴሞክራስን ንምሕያል ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ይሳለጥ ዘሎ ለውጢ ብኣወንታ ከምዝርእይዎ ምግላፀን ኣቶ ቴድሮስ ሓቢሮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%88%8A%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%89%B5%E1%8B%8D%E1%88%8D%E1%8B%B0-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8A%A3-%E1%8B%8B%E1%8B%95%E1%88%8B-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83%E1%8A%95-%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-20-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%88%B3%E1%89%B0%E1%8D%89-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%89%80%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%8C%8B%E1%8D%8D-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D\/4635689.html"} {"headline":"ኣብ ምዕራብ ክልል ኦሮምያ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምክያዱ ተገሊጹ","content":"ኣብዚ ሰሙን ኣብ ምዕራብ ክልል ኦሮሚያ ቀንዲ መንገድታት ዝዓፀወ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ብምክያድ መንግስቲ ንኦነግ ዕጥቑ ብሓይሊ ንምፍታሕ ንዝገብሮ ምንቅስቓስ ተቓዊሞም። ብመሰረት ስምምዕ እናሰራሐ ምዃኑ ዝገለፀ ኦነግ መንግስቲ ሰራዊቱ ብብዝሒ ምውፋሩ ግልፂ ኣይኮነን ይብል። መንግስቲ ንግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዕጥቒ ንምፍታሕ ምንቅስቓሱ ንምቅዋም ኣብ ዞባታት ምዕራብ ወለጋ፣ምብራቕ ወለጋ፣ቀሌም ወለጋን ዞባ ጉጂን ሰልፊ ምክያዱ መሰኻኽር ይዛረቡ።ሓደ ምስክር ከምዚ ይብል። “ብፍላይ ድማ ኣብቲ ህዝቢ ዘሎ ምድንጋር ላዕለዋይ ኣካል ኦነግ ምስ መንግስቲ ተሰማሚዑ እንተኾይኑ ኣብዚ ከባቢ ዘሎ ፀገም ንምንታይ ክፈትሑ ኣይክኣሉን።ስለምንታይ ህዝቢ ይርበሽ ኣሎ ዝብል ሕቶ እውን ኣብቲ ህዝቢ ስለዘሎ እዩ ግጭት ዝስማዕ ዘሎ።” ኣብ ከባቢ በጊን ጊዳሚን ከቢድ ወታደራዊ ምንቅስቓስን ቶኽስን ከምዘሎ ካልእ ነባሪ ይገልፅ።ንሱ ”ሰራዊት ወያነ ዝፅዓና 15 ኦራል መካይን ኣትየን ሰራዊት ኦነግ ኣምፅኡ እናበሉ ነቲ ህዝቢ ብምግልትኦም ግጭት ተፈጢሩ’’ ይብል። ብዛዕባ እዚ ካብ ሰበስልጣን ክልልን ፌደራልን መብርሂ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን። ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ናይ ኦሮሞ ዴሞክራቲክ ፓርቲ ኣቶ ኣብደታ ዋጋሪ ቶኽሲ ይስማዕ ከምዘሎ ብደረጃ ወረ ካብ ምስማዕ ብጭቡጥ ንፈልጦ የለን ኢሎም። ኣቦ ወንበር ኦነግ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ኣብ መንጎ መንግስትን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ዘሎ ስምምዕ ንምፍፃም ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ብሰፊሑ ንቀሳቐስ ኣለና ድሕሪ ምባል እቲ ሕቶ ካልእ እዩ ይብሉ። “ሰላም ኣብዘለዎ ሰራዊትና እውን ኣብዘለውዎ ኮይኖም ምስ መንግስቲ እናተዘራረብና ስምምዕና ግብራዊ ንምግባር እናተንቀሳቐስና ኣብ እንርከበሉ ስለምንታይ እዩ ሰፊሕ ወታደራዊ ምንቅንስቓስ ዘሎ።” ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዕጥቑ ክፈትሕ ከምዘለዎ ዋና ኣማሓዳሪ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ለማ መገርሳን ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድን ገሊፆም ነይሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%88%9E-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8B%AB%E1%8B%B1-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4635643.html"} {"headline":"“ዝረአዩ ግጭታት ንዝተጀመሩ ለውጢ ዝዕንቕፉ ኣይኮኑን” ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ","content":"ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ሶሉስ ምስ ቻንስለር ጀርመን ኣንጌላ መርከል ተራኺቦም፡ ተዘራሪቦም። ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ከም አካል እቲ ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣውሮጳ ዘካይድዎ ዘለው ዑደት ሎሚ ሶሉስ ጀርመን ኣትዮም ኣለው። ንሶም ብተወሳኺ ኣብቲ ኣብ ኣፍሪቃ ንዝካየድ ወፍሪ ብዝምልከት ኣብ በርሊን ዝኻየድ ዋዕላ ሃገራት ጉጅለ 20ን ኣፍሪቃን ክሳተፉ’ዮም። No media source currently available ኣቐዲሞም ትማሊ ሶኑይ ኣብ ፈረንሳ ብምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ማርኮ ዝተራኸቡ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብታ ሃገር በግዚኡ ዘጋጥሙ ግጭታት ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ለውጢ ዝዕንቕፉ ኣይኮኑን ኢሎም። ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ማርኮን ዝሃብዎ ሓባራዊ መግለጺ ኣብ ምፍታሕ ወጥሪ ጅቡቲን ኤርትራን ፈረንሳ ናይ መሪሕነት ተራ ንምጽዋት ምስምማዓ ዝሓበሩ ክኾኑ ከለው ፕረዚደንት ማርኮ ብወገኖም ኣብቲ ዞባ ሰላማ ንምስፋን ብቀ\/ሚ ኣብይ ዝካየዱ ጻዕርታትን ኣብ ምሕያል ቁጠባ’ቲ ዞባን ከምዝተሓባበሩ ገሊጾም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%8A%A0%E1%8B%A9-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%80%E1%88%98%E1%88%A9-%E1%88%88%E1%8B%8D%E1%8C%A2-%E1%8B%9D%E1%8B%95%E1%8A%95%E1%89%95%E1%8D%89-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8A%AE%E1%8A%91%E1%8A%95-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5\/4635122.html"} {"headline":"ምትእኽኻብ ገንዘባዊ ሓገዝ ንተመዛበልቲ ቀጺሉ ኣሎ","content":"‘Go Fund Me’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ዓለም ለኸ ኩባንያ ንሓገዝ ተጋሩ ተመዛበልቲ ንምሕጋዝ ዝውዕል ኣስታት 41 ሽሕ ዶላት ኣኪብና ኣለና’ ይብሉ ናይ ሎሚ ኣጋይሽና። ሙና ገብረን ሓድሽ መኮንንን ‘ንኮሚቴ መተኣኻኸቢ ገንዘብ ተመዛበልቲ ተጋሩ’ ወኪሎም ምስ ቪኦኤ ኣብ ዝነበሮም ቃለ መሕትት እቲ ናብ ‘Go Fund me’ ኣትዩ ዘሎ ገንዘብ ኣብ ዕጹው ካዝና ከምዝተቐመጠን እቲ ከምሸቶ ዝተታሓዘ ኣስታት ሚእቲ ሽሕ ዶላር ምስ ተአከበ ኣውጺኦም ናብ ዝምልከቶም ተፈናቀልቲ ከምዝበጽሕን’ ጠቂሶም። ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝተፈጠረ ውሽጣዊ ግጭት፣ ሚልዮናት ዜጋታት ግዳይ መጥቃዕቲ ከምዝኾኑ ዝዝከር’ዩ። ኣስታት 40 ሽሕ ተጋሩ ካብ ዝተፈላለያ ክልላት ተፈናቒሎም ኣብ ትግራይ ከምዝርከቡ’ውን ክልቲኦም ኣጋይሽ ይገልጹ። ሓድሽ መኮንን 'ነዚ ቅዱስ ዕላማ'ዚ ሰሚዖም ክንሕግዝ ንደሊ ኢና ዝብሉ እንተሃልዮም ኣብ Go Fund Me ኣትዮም 'Tegaru Disaster Relief Fund' Account No. 700-998-8010፣ Routing No. 111-900-659 ክልግሱ ከምዝኽእሉ' ጠቒሱ ኣሎ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/dissater-tegaru-relief-fund-muna-gebre-hadush-mekennen-\/4634073.html"} {"headline":"ኣብ ጎንደር ዝርከቡ ካብ ወልቃይት ምዝንባሎም ዝገልጹ መንእሰያት ናብ መነባብርኦም ክምለሱ ሓቲቶም","content":"ኣብ ከተማ ጎንደር ኣብ ዝተዳለዎም ግዚያዊ መዕቖቢ ዝርከቡ ካብ ወልቃይት ምምዝባሎም ዝገልፁ ልዕሊ 200 ተመዛበልቲ ናብ ትውልዲ ከባቢኦም ክምለሱ ሓቲቶም። ኣተሓባበርቲ ናይቶም ተመዛበልቲ ኣቶ እርሲ ቃደም እዞም መናእሰይ ካብዝተመዛበልሉ እዋን ጀሚሮም ኣብ ገልታእታእ ይርከቡ ኣለው ኢሎም።ህዝብን ቀይሕ መስቀልን ዝህቦም ውሱን ሓገዝ እንተዘይኾይኑ ካብ ፌደራል ይኹን ክልል መንግስቲ ዝተገብረሎም ሓገዝ የለን ኢሎም። “ናብ መንበሪኦም ክምለሱ ድልየት ኣለዎም።ምክልኻልን ፍሉይ ሓይልን ንናይ ትግራይ ፍሉይ ሓይሊ ኣውፂኦም ንፖሊስ እውን ኣውፂኦም ፌደራል ፖሊስ ወይ ሓይልታት ምክልኻል ኣትዮም ብነፃነት ክንቀሳቐስን መሰሉ ክገልፅን ኣለዎም ።” ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ካብ ከባቢ ወልቃይት ተመዛቢሎም ኣብ ጎንደር ዝርከቡ ወገናት ናብ ከባቢኦም ንኽምለሱ ፌደራል መንግስትን ክልቲኦም ክልላትን ከምዝተዘራረቡን ተመዛበልቲ ኣብዝተረኸብሉ ዝተኻየደ ዝርርብ እቶም ዜጋታት ሃብትን ንብረትን ናብ ዘፍረይሉ ከባቢ ብሰላማዊ ኩነታት ዝነብርሉ መንገዲ ክመዓራረ ምድላዋት ይካየድ ኣሎ ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%89%83%E1%8B%AD%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B9-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%90%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%88%88%E1%88%B1-%E1%88%93%E1%89%B2%E1%89%B6%E1%88%9D\/4634027.html"} {"headline":"ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣውሮጳ ዑደት ዘካይዱ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ፈረንሳ ኣትዮም","content":"ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ኣውሮጳ መገሽኦም ሎሚ ሶኑይ ኣብ ፈረንሳይ ጀሚሮም። ቀ\/ሚ ኣብይ ድሕሪ ፅባሕ ረቡዕ ኣብ ጀርመን ፍራንክፈርት ምስ ኢትዮጵያዊያን ማሕበረሰብ ክራኸቡ እዮም።ኣብቲ መደብ ንምስታፍ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣውሮጳ ናብቲ ከባቢ ይውሕዙ ከምዘለው ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኣምባሳደራት ኢትዮጵያ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ሓቢሮም። ናይ ፈረንሳይ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮ ብዝገበሩሎም ግብዣ ሎሚ ኣብ ፓሪስ ዝርከቡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ፅባሕ ድማ ምስ መራሒት ጀርመን ኣንጌላ መርከል ክዘራረቡ እዮም። 11 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሳተፍሉ ኣብ ኣፍሪቃ ዝኻየድ ወፍሪ ኣብ ዝተረኹር ኣኼባ መደረ ከስምዑ ትፅቢት ከምዝግበር ተፈሊጡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%88%AE%E1%8C%B3-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A5%E1%88%85%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%8D%88%E1%88%A8%E1%8A%95%E1%88%B3-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%88%9D\/4633998.html"} {"headline":"ሕ\/ኣውሮጳ ኣብ ሰ\/ኣፍሪቃ መዓስከር ስደተኛታት ምምስራት ዝብል አጀንዳ ከምዝሰረዞ ኣፍሊጡ","content":"ፕረዚደንት ኮሚሽን ኣውሮጳ ዥን ክላውደ ጃከር ሕብረት ኣውሮጳ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ንምግታእ ኣብ ሃገራት ሰ\/ኣፍሪቃ መዓስከር ስደተኛታት ምምስራት ዝብል አጀንዳ ከምዝሰረዞ ሎሚ ዓርቢ ኣፍሊጦም። ሕብረት ኣውሮጳ ካብ ቱርኪን ሃገራት ሰ\/ኣፍሪቃ ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ናብቲ ኣህጉር ዝውሕዙ ስደተኛታት ንምግታእ መፍትሒ ኣብ ምንዳይ ከምዘይተሰማምዑ'ውን ተሓቢሩ'ሎ። ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተኻየደ ዋዕላ ሕብረት ኣውሮጳ ስደተኛታት ብባሕሪ ዝካየድ ሓደገኛ ጉዕዞ ከይፍጽሙ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ መዓስከር ስደተኛታት ምምስራት ዝብል ውጥን ቀሪቡ ምንባሩ ይዝከር። እንተኾነ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዝረኸቦ ዘይዕጉብ ግብረ መልሲን ሕቶ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ሕጋዊነትን ተግባራዊነትን እቲ መደብ እቲ መደብ ምስራዙ ፕረዚደንት ኮሚሽን ኣውሮጳ ገሊጾም። ንሶም ኣብ ከተማ ቱኒዝ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር'ታ ሃገር ዮሱፍ ቻሃድ ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ \"ደጊም እቲ መደብ ተሰሪዙ'ዩ ካብ መጀመርያ'ውን ክውጠን ኣይነበሮን\" ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%88%AE%E1%8C%B3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B0-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%B5%E1%8A%A8%E1%88%AD-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%A0%E1%8C%80%E1%8A%95%E1%8B%B3-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%B0%E1%88%A8%E1%8B%9E-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4630423.html"} {"headline":"ሕቶ መንነት ብምልዓልና ተበዲልና ዝበሉ ኣተሓባበርቲ ሕቶ መንነት ራያን መልሲ ሰበስልጣንን","content":"ኣተሓባበርቲ ጉዳይ ሕቶ መንነት ራያን ሓደ ነባሪ አላማጣን ሕቶ መንነት ብምልዓልና ኣብ ልዕሌና በደል ተፈጺሙ’ዩ ይብሉ።ሕቶ ብምቕራብና ካብ መነባብሮና ተመዛቢልና ንዝበሉ ኣዘራሪብና ሰበስልጣን እውን ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶ ሂቦም ኣለው። ሕቶ መንነት ራያ ዘልዓሉ ንሕና ራያ እምበር ትግራይ ኣይኮነና፤ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ብዘይፍቓድ ናብ ትግራይ ዝተኸለለ ራያ ሰብኣዊን ዴሞክራሲያውን መሰሉ ተሓሊዩ፣ማሕበራዊ ርክባቱ ሓደ ምስ ዝኾነ ህዝቢ ወሎ ብኣምሓራይነቱ ንክሕወስ ንደልይ ኢና ይብሉ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ኣተሓባባሪ ሕቶ መንነት ህዝቢ ራያ እየ ዝበሉ ኣቶ ኣገዘው ህዳሩን ኣቶ ጌታቸው ደሳለኝ።ኣቶ ጌታቸው “ህውሓት ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ ኢና ሕቶ መንነት ነልዕል ነይርና።ንኣብነት ኣብ 1993 ዓ\/ም ካልኣይ ዓመት ተማሃራይ ዩኒቨርስቲ እናሃለኹ ተማሃሮ ኣብ ከተማ ማይጨው ምስ ዶ\/ር ደብረፅዮን ኣኼባ ጌርና ናይ ኣላማጣን ዋጃን ብሓፈሻ ተማሃሮ ራያ ሓቲትና መልሲ ከይሃቡ ዓፊኖም ሒዞምዎ።” ኣብዚ ሰዓት እዚ እቲ ሓረስታይን ተማሃራይን ኣብዝለዓለ ስግኣት ከምዝርከብን ኣብ ዋጃን ከባቢኡን እውን ሚሊሺያ ብምውፋር ካብ መነባብርኡ ተመዛቢሉ ኣሎ ክብሉ ኣቶ ጌታቸው ይዛረቡ። ኣቶ ኣገዘው ብወገኖም እቲ ከባቢ 1985 ዓ.ም ምስ ትግራይ ክኽለል ከሎ ፈቐዶ ናይ ገጠር ጣቢያታት ተኣኻኺቦም በብድረጅኡ ሕቶ ኣቕሪቦም ነይሮም ይብሉ። ንሶም ወሲኾም ጥርዓን ንምቕራብ ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ሓቲትና ተኸልኪልና ይብሉ ። ብኣማኢት ዝቑፀሩ ነበርቲ ዋጃ፣ጥሙጋን ረዥም ኮረራን ዝተሰደዱ መናእሰይ ኣብ ቆቦ ሓደ ቤት ትምህርቲ ተዓቒቦም ይርከቡ። ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ሓደ መንእሰይ ኣወል ሰይድ ብዛዕባ’ዚ ከምዚ ይብል። “ዝነብረሉ ራያ ኣላማጣ፣ዋጃ ኣብ እትብሃል ጣቢያ እዩ።ናይ ህውሓት ፍሉይ ሓይሊ ካብ ክልል ትግራይ ናይ ሓሰት ናይ ቤት ፍርዲ ወረቐት ሒዞም 15 እንኸውን መናእሰይ ክዕፍኑና ናብ ከተማ ዋጃ መፂኦም።” ንሱ ቀጺሉ ናይ ዶ\/ር ኣብይ ለውጢ ንምድጋፍና ሰላማዊ ሰልፊ ብምውፃእና ናይ ትግራይ ሰበስልጣን ግን ይቓወሙ ስለዘለውን ስለዘይተደመሩን እዚ ኣየሕጎሰኦምን ይብል።ናይ መንነት ሕቶ ብምልዓልና እውን እዩ ኢሉ። ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ኣምሓርኛ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዘዘራረቦም ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ኣቶ ብርሃነ በየነ ዝቐረበ ሕቶ ይኹን ዝተመዛበለ ነባሪ ዝፈልጦ የብለይን ኢሎም። “ናይ ትግራይ ክልል ድዮም ኣይኮኑ ንዝብሃል ሕግን ስርዓትን ዘለዎ ሃገር ኢና ዘለና።ሕገ መንግስቲ ኣሎ፤ከመይ ሕቶ ምልዓል ከምዝክኣል፣ከመይ ከምዝምለስ ንመን ከምዝሕተት መን ከምዝምልስ ብግልፂ ዝተቐመጠ ስርዓትን ሕግን ዘለዎ ሃገር እዩ።ዝደልይ ሰብ እንተሃሊዩ ክሓትት ይኽእል።ኣነ ክሳብ ዝፈልጦ ግን ብሕግን ስርዓትን ዝተሓተት ሕቶ ከምዘየለን ነዚ ንምእንጋድ ዘይክኣለ ሰብ ከምዘየለን እየ ዝፈልጥ።” ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልል ትግራይ ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም ብወገኖን ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ብፍላይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝውሃብ ርእይቶ ካብ ርሕቐት ኮይንኻ ከም ምውኻስ እዩ ይብሉዎ። “ኣብ ክልልና ብሰንኪ መንነት ዝእሰር ዝኾነ ሰብ የለን።ትግራይ ብሰላም ዝንበረሉ ክልል እዩ።ናይ ካልእ ክለብ ኣባል ንምግባር ናይ ሕፁይነት ሕቶ ምቕራብ እዩ ዝመስል እምበር እቲ ሓቂ ፍፁም ኣብ ባይታ የለን።ኣብ ከባቢ ራያ ንስደት ምኽንያት ዝኸውን ሽግር የለን።ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኖም ብነዊሕ ናይ ፀብሒ ምድዋ ከሕብሩ ዝፈተኑ ኣካላት፤መንነቶም እውን ብግልፂ እንፈልጦም፣ኣነ እውን ብውልቀይ ዝፈልጦም ሓዊሱ ናይ ዝሰርሑዎ ዘለው ድራማ ኣካል እዩ።” ራያ ኣላማጣ፣ራያ ዓዘቦ፣ራያ ኦፍላ፣ራያ ቆቦ ኣብ ክልል ኣምሓራ ወይስ ኣብ ክልል ትግራይ እዮም ንዝብል ዝቐረበሎም ሕቶ ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም ክምልሱ ከለው ራያ ቆቦ ኣብ ክልል ኣምሓራ እዩ፣እቶም ዝተረፉ ግን ኣብ ክልል ትግራይ እዮም ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95%E1%89%B6-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%8A%93-%E1%89%B0%E1%89%A0%E1%8B%B2%E1%88%8D%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A3%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%95%E1%89%B6-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%AB%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%88%B0%E1%89%A0%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95%E1%8A%95\/4629377.html"} {"headline":"መግለጺ ምክትል ርእሰ ምምሕዳት ክልል ትግራይ ኣብ ጉዳይ ምጅማር ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ","content":"ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ዩኒቨርስቲታት ዝተመደቡ ተወለድቲ ካልኦት ብሄር ዝኾኑ ተማሃሮ ካብ ሕደ ስድራ ናብ ካልእ ስድራ ይመፅኡ ከምዘለዉ ክስመዖም ይግባእ ክብሉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ተዛሪቦም። No media source currently available ንሶም ሎሚ ንመራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብ ትግራይ ዘመነ ትምህርቲ እዚ ዓመት ሰላማዊ ብዝኾነ መንገዲ ክዛዘም መንግስቲ ምስ ህዝቢ ሓቢሩ ክሰርሕ ኢዩ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%88%8D-%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%88%B0-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%8C%85%E1%88%9B%E1%88%AD-%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8B%E1%8B%AD-%E1%8B%B0%E1%88%A8%E1%8C%83-%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B2\/4629271.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት መዚዛ","content":"ፓርላማ ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን ዲፕሎማት’ታ ሃገር ኮይነን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ንዘገልገላ ወ\/ሮ ሳህለ ርቅ ዘወደ ፕረዚደንት’ታ ሃገር ክኾና መዚዙ። ፕረዚደንት’ታ ሃገር ነበር ኣቶ ሙላቱ ተሾመ ትማሊ ምክንያቱ ብዘይነጸረ ጉዳይ ካብ መዝነቶም መልቀቒ ደብዳበ ናብ ፓርላማ ምቅራቦምን ፓርላማ ድማ ንሕቶኦም ምቕባሉ ይፍለጥ። ኣቐዲሙ ቀዳማይ ሚንስተር አብይ ኣሕመድ ኣብታ ሃገር ንመጀመርያ ጊዜ ጓል ኣንስተይቲ ሚንስተር ምክልካል ትርከቦም 50 ሚእታዊት ካቢነ’ታ ሃገር ብደቂ ኣንስትዮ ክምራሕ ምምዛዞም ይዝከር። ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ኣብ አዲስ አበባ ተወሊደን ዝዓበየ ኮይነን ድሒረን ንላዕለዋይ ትምህርቲ ናብ ፈረንሳ ዝኸዳን ኣብኡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኮይነን ዘገልገላ ካብኡ ብምቅጻል ኣብ ጅቡቲ፡ሴኔጋል ከምኡ’ውን ኢጋድ ኣምባሳደር ኮይነን ዘገልገላ እየን። ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ኮይነን ቅድሚ ምምዛዘን ድማ ላዕለዋይቲ ሓላፊት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይነን ክሰርሓ ምጽንሓን ይፍለጥ። ብመሰረት ሕገ መንግስቲ’ታ ሃገር ፕረዚደንት ኮይኑ ዝተመዘዘ ክልተ ነናይ ሽዱሽተ ዓመት መሪሕነት ጊዜ ክመርሕ ይክኣል። “ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ለውጢ ማዕረ ብደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን እንተተመሪሑ ናህሩ ንምምዝዛን ካብ ሃይማኖታዊ፡ዓሌታዊ ኮነ ጾታዊ አድልዎ ዘይብላ ነጻን ምዕብልቲ ኢትዮጵያ ንምህናጽ ዝሕግዝ’ዩ።” ዝበላ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ “ፕረዚደንት ነበር ኣቶ ሙላቱ ናብ ለውጢን ተስፋን ዘሎ ጎደና ኣርእዮምና። ድሕሪን ቅድሚን ስልጣን ህይወት ከምዝቕጽል ኣርእዮም እዮም። ስለዚ ካልኦት’ውን ነዚ አብነት ክስዕቡን ንለውጢ ድልዋት ክኮኑ ይጽውዕ” ኢለን። “መንግስቲ ኮነ ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ሓደ ናይ ሓባር ገዛ ንነብር ከምዘለና ክርድኡ ኣለዎም። ንኮርዓሉ ሃገርን ወለዶን ንምፍጣር ድማ ኣብ ዘሕብሩና እንበር ኣብ ዝፈላልዩና ጉዳያት ከነተኹር ይግባእ።ቀዳሞት ግዳያት ስእነት ሰላም ደቂ ኣንስትዮ እየን ስለዚ ንተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምውሓስ ሰላም ኣተኹረ ክሰርሕ ይደልይ።” ኣብዚ ሕጂ እዋን ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውደ እታ እንኮ ናይ ኣፍሪቃ ጓል ኣልስተይቲ ፕረዚደንት እየን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%98%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%8C%93%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8B%9A%E1%8B%9B\/4628755.html"} {"headline":"52 ሚእታዊት ኣባላት ካብኔ መንግስቲ ትግራይ ደቂ ኣንስትዮ ኮይነን ተሸይመን","content":"ቤት ምኽሪ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሽዱሽተ ደቂ ኣንስትዮን ሚንስተርን ሚንስተር ድኤታን ዝነበሩን ሓዊሱ ትሽዓተ ሓደሽቲ ኣባላት ካብኔ ብቕድሚ ትማሊ ሸይሙ’ሎ።ሰለስተ ኣማሓደርቲ ዞባታትን እውን ተሸይሞም። ቅድም ክብል ምስ ዝነበሩ ኣባላት ካብኔ ሓዊሱ ብድምር 17 ኣባላት ካብኔ እንትኾኑ ካብኦም ትሸዓተ ደቂ ኣንስትዮ እየን። ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ዝነበራ ወ\/ሮ ቅዱሳን ነጋን ብደረጃ ምኽትል ርእሰ ኣማሓዳሪ ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኢንዱስትሪን ዝነበሩ ዶ\/ር ኣዲስኣለም ባሌማን እውን ተተኪኦም ኣለው። ብዛዕባ እዝን ተኣሳሰርቲ ጉዳያትን ምስ መምህር ዩኒቨርስቲ መቐለ ወ\/ሪት መብራት ሃፍቱን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝነጥፍ ነባሪ ኣዲስ ኣበባ ኣቶ ሃይሉ ከበደን ዘካየድናዮ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/analysis-on-tigray-new-cabinet-members\/4627556.html"} {"headline":"ዓረና ኣብ አላማጣ ንዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ ስዒቡ መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኮኒኑ","content":" ኣብ ከተማ ኣላማጣ ዝተፈጠረ ዘይምርግጋእ ስዒቡ መንግስቲ ዝወሰዶ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ከም ዝኹንኖ ውድብ ዓረና ንሉአላዊነትን ዴሞክራሲን ኣፍሊጡ። እቲ ውድብ ሕቶ ህዝቢ ብሰላማዊ መንገዲ ምምላስ ከምዝግባእ ከምዝኣምን ገሊፁ። ምምሕዳር ከተማ ኣላማጣ ብወገኑ እቲ ዝተወሰደ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ኩነታት ከዳድድ ዝስዕብ ዝነበረ ከይዲ ንምክልኻል ምዃኑ ተዛሪቡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8C%A3-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%A8-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%8C%8B%E1%8A%A5-%E1%88%B5%E1%8B%92%E1%89%A1-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8B%B6-%E1%88%B5%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%8A%AE%E1%8A%92%E1%8A%91\/4626061.html"} {"headline":"ኣብ አዋሰንቲ ከባቢታት ክልል ቤንሻንጉልን ክልል ኦሮምያን ዳግማይ ብዝተላዕለ ግጭት ሸሞንተ ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ተዳወብቲ ከባቢታት ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ ካማሺ ወረዳ በሎ ጂጋንፎኝን ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ወረዳ ዲጋን ዝሓለፈ ሓሙስ 8 ጥቅምቲ 2011 ዳግማይ ብዝተለዓለ ግጭት ሸሞንተ ሰባት ከምዝሞቱ ተፈሊጡ። ካብ ክልቲኦም ከባቢታት መንበሪ ኣባይቲ ከምዝተቓፀሉን ነበርቲ እውን ካብ መነባብሮም ምዝባሎም ዝበጽሓና ሓበሬታ ይገልፅ።እቶም ነበርቲ ፌደራል መንግስቲ ዛጊት ስጉምቲ ዘይምውሳዱን ጣልቃ ክኣትውን ሓቲቶም ኣለው። ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ምምሕዳርን ፀጥታን ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኮማደር ኢዶሳ ጎሻ ቁጽሪ ናይ ዝሞቱ ሰባት ብምርግጋፅ እቶም ዝሞቱ ካብ ክልቲኡ ወገን እዮም ኢሎም። ኣብዚ ሕጂ እዋን መንገዲ ስለዝተዓፀወ ነባሪ እቲ ዞባ ኣብ ዝዓበየ ማሕበራዊ ቅልውላው ወዲቖም ምህላዎምን ተሓቢሩ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%8B%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%A4%E1%8A%95%E1%88%BB%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%B3%E1%8C%8D%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%88%B8%E1%88%9E%E1%8A%95%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/4626126.html"} {"headline":"ኤርትራዊት ካናዳዊት ሳሮን ገ\/ስላሰ ኣብ ምርጫ ከንቲባ ቶሮንቶ ራብዓይ ደረጃ ሒዛ ውድድራ ዛዚማ","content":"ኣብ ካናዳ ኣብ ምርጫ ከንቲባ ከተማ ቶሮንቶ ዝተወዳደረት ኤርትራዊት ካናዳዊት ሳሮን ገብረስላሰ ካብ ሳላሳን ሓሙሽተን ሕጹያት ራብዓይ ደረጃ ሒዛ ነቲ ውድድር ዛዚማ። እታ በዓልቲ ሞያ ሕጊን ተጣባቒት ሰብኣዊት መሰልን ዝኾነት መንእሰይ ሳሮን ገብረስላሰ ትማሊ ድሕሪቲ ውጽኢት ኣብ ኣዳራሽ ፐሮ ረስቶራንት ንደገፍታ ኣብ ዝገበረቶ ናይ ምስጋና መደረ: ኣብ ሓጺር ጎስጓስ ከምዚ ዝበለ ውጽኢት ምርካባ ዘሐጎሳ ምዃኑ ብምጥቃስ: ኣብ ዝቕጽል ምርጫ ብዝበለጸ ተዳልያ ከንቲባ ከተማ ቶሮንቶ ኮይና ክትዕወት ተስፋ ከምዘለዋ ገሊጻ። ወላዲኣ ኣቶ ገብረስላሰ ብወገኖም ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ: ኣብ ካናዳ ከም ጽግዕተኛታት ኮይና መጺእና: ሳሮን ድማ ኣብዚ ሓጺር ዝተዳለወትሉ ውድድር ከንቲባ ከተማ ቶሮንቶ ተሳቲፋ ራብዐይ ደረጃ ሒዛ ክትፍጽም ምብቅዓ ሓጎስ ኩሉ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ጎስጓሳ ዝተሳተፉ ምዃኑ ጠቒሶም። ኣብ ምርጫ ካናዳዊት ከተማ ቶሮንቶ ከንቲባ ጆን ቶሪ ዳግማይ ተዓዊቱ ኣሎ። ኣቐዲሙ ምስ ሳሮን ዝተካየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%8A%93%E1%8B%B3%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%B3%E1%88%AE%E1%8A%95-%E1%8C%88-%E1%88%B5%E1%88%8B%E1%88%B0-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%A8%E1%8A%95%E1%89%B2%E1%89%A3-%E1%89%B6%E1%88%AD%E1%8A%95%E1%89%B6-%E1%88%AB%E1%89%A5%E1%8B%93%E1%8B%AD-%E1%8B%B0%E1%88%A8%E1%8C%83-%E1%88%92%E1%8B%9B-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%8B%B5%E1%88%AB-%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%9B\/4626077.html"} {"headline":"7 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ኣብ ገማግም ታንዛንያ ምሟቶም ፖሊስ ሓቢሩ","content":"ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተተምርሕ ዝነበረት 13 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጀልባ ኣብ ገማግም ታንዛንያ ብምትሓላ 7 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ምሟቶም ፖሊስ ታንዛንያ ኣፍሊጡ። ታንጋ ናይ ዝተባህለ ዞባ ፖሊስ ኮማንደር ኤድዋር ቡኮምበ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል እታ ጀልባ ትማሊ ሶኑይ ምስ ኬንያ ኣብ ዘዳውብ ገማግም ታንዛንያ ዝኾነ ህንዳዊ ውቅያኖስ ምጥሓላ ገሊጹ። “ ካብቶም ኣብታ ጀልባ ተጻዒኖም ዝነበሩ 12 ሰባት ኢትዮጵያዊያን እዮም፡ እቲ ሓደ ሰብ ካፕቴን እታ መርከብ ግን ክሳብ ሕጂ ሃለዋቱ ብዘይ ምፍላጡ ዜግነቱን ክፍለጥ ኣይከአለን።” ብተወሳኺ ኮሚሽነር ኤድዋርድ ሃለዋት እቲ ዝጠፍአ ሰብ ንምፍላጥ ይሰርሑ ምህላዎም ሓቢሩ። ንሱ ብተወሳኺ ግቡእ ስነ ስርዓት ቀብሪ ንምክያድ ጉዳይ እቶም ዝደሓኑ ብዝምልከት ምስ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ይዘራረቡ ምህላዎም ገሊጹ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%88%E1%88%9B%E1%8C%8D%E1%88%9D-%E1%89%B3%E1%8A%95%E1%8B%9B%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/4625796.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ናይ ኦጋዴን ሃገራዊ ናጽነት ግንባር (ኦብነግ) ስምምዕ ሰላም ምፍራሞም ተገሊጹ","content":"ብሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ወርቅነህ ገበየሁን ምክትል ፕረዚደንት ክልል ሶማል ሙስጠፋ ዑመር ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ብአድሚራል መሓመድ ዑመር ዑስማን ዝምራሕ ተወከልቲ ኦብነግ ብሰንበት ኣብ ኣስመራ ብምርኻብ ስምምዕ ሰላም ምፍርራሞም ተገሊጹ። ኣብ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተነቢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ መሰል ኣብ ግምት ብምእታው ንጠንቂ’ቲ ኣብ ዞባ ዘሎ ግጭት ንምፍታሕ ዘሎ ተበግሶ ኣፍልጦ ብምሃብ ክልቲኦም ወገናት ተኩሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕን እቲ ግንባር ድማ ቃልሱ ብሰላማዊ መንገዲ ንምክያድ ምስምማዖም መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ሓቢሩ። ፓርላማ ኢትዮጵያ ነቲ ግንባር ካብ ዝርዝር ጉጅለ ግብረ ሽበራ ኣብ ወርሒ ሓምለ ምልዓሉ ስዒቡ እቲ ውድብ ኣብ ወርሒ ነሓሰ በይናዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ውሳነ ምሕላፉ ይፍለጥ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A6%E1%8C%8B%E1%8B%B4%E1%8A%95-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%93%E1%8C%BD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8C%8D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%AD-(%E1%8A%A6%E1%89%A5%E1%8A%90%E1%8C%8D)-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%88%AB%E1%88%9E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4625659.html"} {"headline":"ርክብ ሓለፍቲ ክፍሊ ኣፍሪቃ ድምጺ ኣሜሪካ ምስ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ","content":"ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ንአባላቱ ስልጠና ኣብ ዝሃብሉ እዋን ንጋዜጠኛታት ውሽጢ ሃገር እውን እንተዝሓውስ ድልየቶም ምዃኑ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ተዛሪቦም። ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ እዚ ዝገለፁ ስልጠና ንምሃብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንዝተጉዓዙ ዳይሬክተር ክፍሊ ኣፍሪቃ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣቶ ንጉሴ መንገሻን ማኔጂንግ ኤዲተር ቀርኒ ኣፍሪቃ ወ\/ሮ ትዝታ በላቸውን ሎሚ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣብ ዘዘራረብሉ እዋን እዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%AD%E1%89%A5-%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5\/4624523.html"} {"headline":"ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ሽዱሽተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብዎም ትሸዓተ ሓደሽቲ ኣባላት ካቢነ መዚዙ","content":"ቤት ምኽሪ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሽዱሽተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም ትሽዓተ ሓድሽቲ ኣባላት ካብነ ኣፅዲቑ። ብምኽትል ርእሰ ኣማሓዳሪ’ቲ ክልል ዶ\/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝቐረቡ ዶ\/ር ኣብርሃም ተኸስተ ምኽትል ርእሰ ኣማሓዳሪ ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኢንዱስትሪን ሓዊሱ ሰለስተ ኣማሓደርቲ ዞባታት እውን ተሸይሞም ኣለው። ንነዊሕ ዓመታት ኣፈ ጉባኤ ክልል ትግራይ ኮይነን ዝገልገላ ወ\/ሮ ቅዱሳን ነጋ ድማ ካብ መዝነተን ተሰናቢተን ኣለዋ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%BD%E1%8B%B1%E1%88%BD%E1%89%B0-%E1%8B%B0%E1%89%82-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AE-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%B5%E1%88%B8%E1%8B%93%E1%89%B0-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%88%BD%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A2%E1%8A%90-%E1%88%98%E1%8B%9A%E1%8B%99\/4624515.html"} {"headline":"ኣብ አላማጣ ብዝተላዕለ ጎንጺ 3 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ከተማ ኣላማጣ ትማሊ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ፀጥታን ኣድማ ዝወፁ መናእሰይን ብዝተፈጠረ ጎንፂ ህይወት 3 ሰባት ሓሊፉ። ካብ ሆስፒታል ኣላማጣ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከምዘማልኽቶ በቲ ጎንፂ 3 ሰባት ብጥይት ተወቒዖም ተቐቲሎም። እቲ ዘይምርግጋዕ ሕቶ መንነት ራያ አለና ዝብሉ መናእሰይ ዘልዐልዎ እዩ ተባሂሉ። ካልኦት ኣብ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ተወከልቲ ህዝቢ እቲ ከባቢ ብወገኖም ህዝቢ ከተማ ኣላማጣ ሕቶ ልምዓትን ሰናይ ምሕደራን እምበር ሕቶ መንነት የብሉን ኢሎም። መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዘውጽኦ መግለፂ ኣብዚ ጎንፂ ዝተሳተፉ ኣካላት ብሕጊ ክሕተቱ ክገብር እየ ኢሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8C%A3-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8C%BA-3-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/4624310.html"} {"headline":"ተዓዋቲ ብሩር ኦሎምፒክ ሪዮ ኣትሌት ፈይሳ ለሊሳ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ","content":"ኣብ ውድድር ኦሎምፒክስ ሪዮ 2016 ናይ ተቓውሞ ምልክት ብምርኣይ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ስደት ዝነበረ ተዓዋቲ ውድድር ኦሎምፒክስ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ፈይሳ ለሊሳ ትማሊ ሰንበት ናብ ሃገሩ ተመሊሱ። “ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብታ ሃገር ለውጢ ተኣታትዩ ኣሎ፡ ሰባት ድማ ብነጻ ሓሳቦም ክገልጹን ንመንግስቲ ክነቕፉን ይክእሉ እዮም።” ኣትሌት ፈይሳ ኣብ ትውልዲ ቦትኡ ዝኾነ ክልል ኦሮምያ ካብ 2015 ጀሚሩ ብዝነበረ ተቓውሞ ኣብ ናይ 2016 ውድድር ኦሎምፒክስ ሪዮ ካልኣይ ብምኳን ኣብ ዝዛዘመሉ ዝነበረ እዋን ኣእዳው ናብ ላዕሊ ብምውጻእ ናይ ተቓውሞ ምልክት ምርኣዩ ይፍለጥ። እቲ ኣብ ከባቢ ዋና ከተማ አዲስ አበባ መንግስቲ ከካይዶ ንዝመድቦ ናይታ ከተማ ምስፋሕ መደብ ዝተላዕለ ተቓውሞ ክሳብ 2017 ምቕጻሉን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ድማ ኣብቲ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ተቓውሞ ምሟቶም ይፍለጥ። No media source currently available “ ሃገረይ ነዚ ነጻነት ረኺባ ኣነ ምስ ስድራ ቤተይ ክራኸብ ህይወቶም ንዝኽእፈሉ ሰማእት ይደናገጽ። ነቲ ጸልማት ገጢሞም ንዓና ብርሃን ኮይኖም እዮም።” ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2018 ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዲግ ንዶ\/ር አብይ አሕመድ ኣቦ መንበርን ቀዳማይ ሚንስተር እታ ሃገር ኮይኖም ካብ ዝምዘዙ ኣብታ ሃገር ብዙሕ ለውጥታት ምርኣዮን ብዙሓት ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝጸንሑ ተቓዋሚ ውድባትን ውልቀሰባትን ድማ ናብ ሃገሮም ምላሶም ይፍለጥ። “ ናብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረን ንጥፈት ክምለስ ይደልይ እየ። ንሃገረይን ንገዛእ ርእሰይን ጽቡቕ ውጽኢት ከመዝግብ ከምዝኽእል ድማ ልኡል ተስፋ ኣለኒ።” ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%8B%E1%89%B2-%E1%89%A5%E1%88%A9%E1%88%AD-%E1%8A%A6%E1%88%8E%E1%88%9D%E1%8D%92%E1%8A%AD-%E1%88%AA%E1%8B%AE-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%88%8C%E1%89%B5-%E1%8D%88%E1%8B%AD%E1%88%B3-%E1%88%88%E1%88%8A%E1%88%B3-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%8A%E1%88%B1\/4624042.html"} {"headline":"ቁጽሪ አባላት ማእከላይ ኮሚቴ ህውሓት ካብ 11 ናብ 9 ጎዲሉ","content":"ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብዝሒ ኣባላት ፈፃሚ ስራሕ ካብ 11 ናብ 9 ከምዘውረዶ ዝበፅሐና ዜና ሓቢሩ። ፋና ብሮድካስቲንግ ከምዝሓበሮ ማእኸላይ ኮሚቴ ህውሓት ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ ብመሰረት ሕገ ደምቢ ናይቲ ውድብ ብዝሒ ኣባላት ፈፃሚ ስራሕ ናይ ምውሳኽ ይኹን ናይ ምቕናስ ስልጣን ውድባዊ ጉባኤ እዩ ይብል። ቅድም ክብል ብዝሒ ንምውሳኽ ዝተወስደ ስጉምቲ ብውድባዊ ጉባኤ ብዘይምዃኑ ተኣሪሙ’ሎ ይብል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8B%E1%8B%AD-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B4-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-11-%E1%8A%93%E1%89%A5-9-%E1%8C%8E%E1%8B%B2%E1%88%89\/4621130.html"} {"headline":"ኣምንስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተአሰሩ ክልተ ጠበቓታት ብዘይ ቕድመ ኩነት ክፍትሑ ጸዊዑ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ዝተኣሰሩ ናይ ሕጊ ጠበቓ ሄኖክ ኣክሊሉን ኣቶ ሚካኤል መላከን ብዘይ ቅድመ ኩነት ብቕልጡፍ ክፍትሑ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት \/Amnesty International\/ ሓቲቱ።ፖሊስ ንኽሲ ዘቕረቦ መበገሲ ሕቶ መሰል እምበር ገበን ኣይኮነን ክብሉ ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ንጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝከታተሉ ኣቶ ፍስሃ ተክሌ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም። “ሄኖክን ሚካኤልን ዝተኸሰስሉ ንመንእሰያት ብምውዳብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወፃኢ ብዝተወልዱ ክትምራሕ የብላን፣ምስ ናይ ፍልስጤም ኤምባሲ ርክብ ምፍጣሮም ዝብል እዩ።እዚኦም ገበናት ኣይኮኑን።ፈፂሞምዎም እንተድኣ ኮይኖም እውን መሰሎም እዮም ተጠቒሞም እዮም”። ኣቶ ፍስሃ ተክሌ ናይ ምውዳብ መሰል ኣብ ሕገ መንግስቲ ዝተቐመጠ’ ዩ እውን ኢሎም።እዞም ሰባት እዚኦም ክእሰሩ ስለዘይነበሮም ኢና ብዘይቅድመ ኩነት ክፍትሑ ንብል ዘለና ኢሎም ይብል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%A0%E1%88%B0%E1%88%A9-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%8C%A0%E1%89%A0%E1%89%93%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8B%AD-%E1%89%95%E1%8B%B5%E1%88%98-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%91-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%91\/4621103.html"} {"headline":"ጣልያናዊ ኩባንያ ኢታካ ኣብ እንደርታ ንሓድሽ ፋብሪካ ዓለባ ኣመሪቑ","content":"ሓድሽ ፋብሪካ ዓለባ ኢታካ ኣብ ዞባ እንደርታ መቐለ ትማሊ ተመሪቑ ተኸፊቱ። ወናኒ’ቲ ፋብሪካ ጣልያናዊ ጉጅለ ካልዞድያ ከምዝኾነን፣ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ 22 ሚልዮን ቅርሺ ዝዋግኡ ፍርያት ዓለባ ወርሓዊ ናብ ዕዳጋ ዓለም የቕርብ ከምዘሎ እቲ ዜና ሓቢሩ። ፋብሪካ ዓለባ ኢታካ ን1, 100 ሰባት ዕድል ስራሕ ዝኸፈተን፣ በዝሒ ሰራሕተኛታት ናብ 1, 500 ክብ ከምዝብልን ትካል ዜና ፋና ብሮድካስት ዝላኣኾ ሪፖርት ይሕብር። ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቓ’ቲ ፋብሪካ ክልልዊን ፈደራላዊን ከምኡውን ወነንቲ እቲ ፋብሪካ ተረኺቦም ነይሮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/new-textile-factory-italian-compony-itaca\/4620971.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ፕረ. ሶማሌ ክልል ነበር ካብ ማእሰርቲ ከምልጡ ምፍታኖም ተገሊጹ","content":"ናይ ሶማሊያ ክልል ፕረዚደንት ነበር ኣቶ ኣብዲ መሓመድ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንምምላጥ ፈቲኖም ከምዝነበሩ ፖሊስ ገሊፁ።ኣቶ ፈቃዱ ፀጋ ኣብ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ዳይረክቶረት ዳይረክተር ጉዳይ ዝተዋደዱ ገበናት ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ካብ ዝሓለፈ ቆፀሮ ጀሚሩ ምስ ሓለውቶም ፀገም ይፈጥሩ ከምዝፀንሑ ገሊፆም። “ዝተኣሰርሉ ክፍሊ ናይ ማዕጾ መስቲያት ምስባሮምን እዚ ምስ ፈተነ ምምላጥ ዝተሓሐዘ ካብ ዘርእዩዎ ባህሪ ኢና ተረዲኢና ዘለና።ናይቲ ማዕጾ መስቲያት ተሰባቢሩ፤ሓለውቶም ክኣትው ክነግሩዎም ከለው ምስኦም ንምትሕንናቕ ፈቲኖም እዮም ።” ካብ 26 ሓምለ ክሳብ 30 ሓምለ 2010 ዓ.ም ኣብ ክልል ሶማሊያ ከተማ ጅግጂጋ ብዝተፈጥረ ህውከትን ዕግርግርን ኣብ ቁፅፅር ዝወዓሉ ኣቶ ኣብዲ ሎሚ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኣብ ዝቐረብሉ እዋን ንድሕነቶም ክብሃል ኣብ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ተኣሲሮም ከምዝፀንሑ ተገሊፁ’ሎ። ኣቶ ኣብዲ ግን ነቲ ክሲ ብምንፃግ ሽመይ ንምፅላምን ንዓይ ንምውቃዕን እዩ፤ኣብ ልዕለይ ዝለዓለ ተፅዕኖ ይገበር ኣሎ ክብሉ ጠሪዖም።ፖሊስ ንጥርዓኖም ነፂጉዎ’ሎ።ቤት ፍርዲ ን19 ጥቅምቲ ቆፀሮ ሂቡ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8C-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8C%A5-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%8A%91-%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4620661.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ አብይ ኣሕመድ ካብ አባላት ፓርላማ ዝቐረበሎም ሕቶታት መሊሶም","content":"ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ምሉእ ዕጥቖም ናብ ቤተ መንግስቲ ዘቕንዑ ወታደራት መንግስቲ ነቲ ለውጢ ንምኹላፍ ዕላማ ብዘለዎም ኣካላት ዝተለኣኹ እዮም ክብሉ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ገሊጾም።ንሶም ነዚ ዝገለፁ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ፓርላማ ብምርካብ ካብ ኣባላት ፓርላማ ንዝቐረበሎም ሕቶ ኣብዝመለስሉ እዋን እዩ።እብ ጉዳይ ፀጥታን ዜጋታት ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ እታ ሃገር ዜጋታት የጋጥሞም ዘሎ ፀገምን እውን መብርሂ ሂቦም ኣለው። ፓርላማ ኢትዮጵያ ሎሚ ሓሙስ ኣብዘካየዶ ኣኼባ ወከልቲ ህዝቢ ንቀዳማይ ሚንስተር ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ኣቕሪቦምሎም ኣለው።ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝፍጥረ ዘሎ ግጭት፣ህውከት፣ዕንወት ንብረትን ምምዝባልን ብሓፈሻ ፀጥታ፣ምምዝባል ዜጋታትን ልዕልነት ሕግን ብዙሓት ሕቶታት ተላዒሎም። ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ዕጥቖም ናብ ቤት መንግስቲ ዝመፁ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ነቲ ለውጢ ንምዕንቅፋ ዕላማ ብዘለዎም ኣካላት ዝተለኣኹ እዮም ክብሉ ገሊፆም ኣለው። “እቲ ዕጡቕ ወታሃደር ዝመፀሉ ኣገባብ ዘይሕገ መንግስታውን ሓደገኛን ጥራሕ ዘይኮነ ዕላምኡ ነቲ ለውጢ ንምኹላፍ እዩ።ካልእ ቅኑዕ ዕላማ የብሉን።ነዚ ዝገበሩ ቁፅሮም ውሑዳት እንተኾኑ እውን መብዛሕትኦም መንእሰይ ስለዝኾነ ደሞዝ ዝውሰኽ መሲሉዎ ዝመፀ እዩ።” ንሶም ኣተሓሕዝኡ ዝለዓለ ጥንቃቐ ይሓትት ነይሩ፡ እቶም ወታደራት ስምዒቶም ምስ ሰኸነ ምይይጥ ከምዝተገብረን ዘለዓዐሎምን ዝወደቦምን የቃልዑዎም ከምዘለው ብምግላፅ እቲ ጉዳይ ብዘይሓንቲ ቶኽሲ ምፍታሕ ተኻኢሉ ኢሎም። ቀ\/ሚ ኣብይ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ፣ሰለስተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ከጋጥም ዝፀንሐ ምምዝባል፣መቕተልትን ዜጋታትን ብሰላም ወፂኦም ብሰላም ምእታው ከምዘይክኣሉን ኣዚዩ ዘነውር ተግባር እዩ’ውን ኢሎም። “ኣብ ኢትዮጵያ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ዜጋታት ኣብ ልዕሊ ናይ ገዛእ ወገኖም በቲ ደረጃ ጨኪኖም ምምዝባል፣መቐትልቲ፣ወራር ዘካየድሉ ኩነታት ኣብ ዝቕፅሉ ዘመናት ኣብ ታሪኽና ከም ፀሊም ምዕራፍ ዝርኣይ እዩ።” እዚ ‘’ዘሕፍር’’ ኢሎም ዝፀውዕዎ ተግባር ብሃበ ተረኽብ ዝተፈፀመ ወይ ተራ ገበን ዘይኮነ ፖለቲካዊ ዕላማ ሒዞም ንሃገር ብምጭናቕን ንህዝቢ ብምሽባርን ነቲ ዘሎ ለውጢ ንምቕያር ሰባት ወዲቦም ዝሰርሑዎ እዩ ኢሎም። ኣብ ሶማሊያን ኦሮሚያን፣ቤንሻንጉል ግሙዝ ኣብ መንጎ ኣምሓራን ኦሮሞን፣ኣብ ጉጂ፣ጌዶን ብፍላይ ኣብ ቡራዮን ሃዋሳ ዘጋጠሙ ፍጻሜታት ምፅናት ዘርኢ እዩ ክብሉ ሓደ ኣባል ፓርላማ ንዘቕረቡዎ ሕቶ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ፖለቲካዊ ተበግሶ ዘለዎም ሰባት ዝፈጠሩዎ ሓደገኛ ገበን ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ናብ ምጥፋእ ዘርኢ ዝብል ምውሳዱ ጠቓሚ ኣይኮነን ኢሎም። “ምኽንያቱ ምፅናት ዘርኢ ዝበሃል ሓሳብ ንባዕሉ ካብ ኣፍ ኣባላት ቤት ምኽሪን ካብ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ቅድሚ ምውፅኡ ዝምልከቶም ሰብ ሞያን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝርዝር መፅናዕቲ ከካይዱ ኣለዎም።ሓቂ እዩ እቲ መጥቓዕቲ ተፈፂሙ እዩ፤ግን ምፅናት ዘርኢ ኣብ ዝብል መደምደምታ ምብፃሕ ተዋሳኺ መፅናዕትን ምኽክርን ዝሓትት እዩ።” በዚ ግጭት ዘይተጠቕዐ የለን ዝበሉ ንሶም ምፅናት ዘርኢ ኢልና እንተድኣ ፀዊዕናዮ ግን ንፈፀምቱ ኣፍልጦ ከም ምሃብ እዩ ዝቑፀር ኢሎም። \"ስርዓት ኣልቦነት መንግስትን ህዝብን ይፈተኑሉ ዘሎ ዓብይ ሽግር እዩ’’ ዝበሉ ቀዳማይ ሚንስተር እዚ ፈተና ተሓጋጊዝና ክንሰግሮ እንተድኣ ዘይክኢልና ከም ሃገር ዘይንቕፅለሉ ኩነታት ክፍጥር ይኽእል እዩ ኢሎም።መንግስቲ ግጭት ደው ናይ ምባል፣ግጭት ክፍጠረሎም ይኽእሉ ዝበሃሉ ከባቢታት ፈሊኻ ምክልኻልን ነባሪ ሰላም ኣብ ምስፋንን ይሰርሕ ኣሎ” ኢሎም። ማሕበራዊ ሚዲያ ብምጥቓም ሽሞም እናቐያየሩን ኣብ መንጎ ዜጋታት ግጭት ዘለዓዕሉን ንምዕጋት ዝገበር ፃዕሪ እንተሃሊዩ ዝተሓተቱ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኮነ ኢሉ ዘጥፍእን ተራ ተጠቃሚን ንምፍላይ ከቢድ ስራሕ ከምዝኾነ ብምጥቓስ ሓይሊ በይኑ እኹል ኣይኮነን፤እቶም ቀንዲ\/ማስተርማይንድ\/ ኣብ ምፍላይን ምሓዝን ትኹረት ክውሃብ ኣለዎ ኢሎም። ካብ ማሕበራዊ ሚዲያን ናይ ውልቂ ሚዲያን ብዘይንእስ ናይ መንግስቲ ማዕኸናት ዜና እውን ፀገሞ ከምዘለዎም ብምሕባር ኩሎም ብሓላፍነት መንፈስ ክሰርሑ ሓቲቶም። ሓይሊ ክጥቀም ዘለዎ መንግስቲ ጥራሕ ምዃኑን ኣብ ምጥቓም ሓይሊ ድማ ጥንቃቐ ከምዘድልን ገሊፆም።ኣብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ መንግስቲ ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ ብርክት ዝበሉ ስራሓት ከምዝሰርሓ እውን ከምዚ ኢሎም። “ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ካብ ንቡር ገበን ወፃኢ ልዕሊ 1,700 ሰባት ናብ ሕጊ ቀሪቦም ኣለው።ኣብ ሃዋሳ ልዕሊ ሓደ ሽሕ፣ኣብ ቡራዩ ልዕሊ 380፣ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 80፣ካብ ቤንሻንጉል 138 ጋምቤላ 15 ሰባት ናብ ሕጊ ቀሪቦም ኣለው።” ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብቲ ዝተጠቕሰ ቁፅሪ ንላዕሊ ዝተትሓዙ መናእሰይ ከምዘለው ብምሕባር ኣፃሪኻ ንምትሓዝ ድሩትነት ዓቕሚ ስለዘሎ ኩሎም ስልጠና ክወስዱ ከምዝተገብሩ ኣብዚ መስርሕ ብዘይኣገባብ ዝተኣሰሩ እንተድኣ ሃሊዮም ናይ ለውጢ ኣካል ገይሮም ክሓስቡ ኣለዎም ኢሎም። ገበን ፈፂሞም ናብ ፍርዲ ዘይቐርቡ ኣለው ዝብል ንዝቐረበ ሕቶ ክምልሱ ከለው ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ሰባት ኣብ ሌብነት ይኹን ኣብ ካልእ ገበን ክዋፈሩ ከለው መረዳእታ ከመይ ከምዝፍጠር ዝፈልጡ ስለዝኾነ ናይ ምፅራይ ስራሕ ግዜ ወሲዱ’ሎ ድሕሪ ሓፂር ግዜ ወግዓዊ ክኸውን እዩ ኢሎም። “ናይ ምፅራይ ስራሕ እቲ ትካል እውን እናተፈተሸ ስለዝስራሕ ግዜ ወሲዱ’ሎ።ዝኾነ ኮይኑ ግን ድሕሪ ሒደት ምናልባት እውን ድሕሪ ሰሙን እዚ ጉዳይ ንህዝቢ ዕላዊ ክኸውን እዩ።” ገበነኛታት ካብ ዝኾነ ይኹን ብሄር ወይ ደረጃ ስልጣን ናይ ሃገር ሃብቲ እንተድኣ ኣጥፊኦም ተፃሪዩ ብምሉእ መርትዖ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ዝሕተትሉ ኩነታት ኣብ ቀረባ መልክዕ ክሕዝ እዩ ኢሎም። ናይታ ሃገር ቁጠባ ብዝለዓለ ኩነታት ኣብ ምሕዋይ ከምዝርከብን ምዕቃብ ናይ ወጻኢ ሸርፊ እውን ቅቡል ኣብዝብሃል ደረጃ ከምዝበፅሐን ሓቢሮም። ምስ ዶብ ሱዳን ተአሳሲሩ ንዝተላዕለ ሕቶ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ክምልሱ ከለው መራሕቲ ኣፍሪቃ ባዕዳዊያን ገዛእቲ ዝሰርሑዎ ዶብ ንምቕባል ስለዝወሰኑ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ 1902፣1907 ስምምዕ ተገይሩ ምስ በሉ። “ፀኒሑ ድማ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ኣብ 1972 ናይ ኢትዮጵያ ሚንስተር ወፃኢ ዝነበሩ ዶ\/ር ምናሴ ሃይለ ምስ ሱዳን ተላዚቦም ዝኾነ ሰነድ ፈሪሞም እዮም።ካብ 1972 ንድሓር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፈልጦ፣ፓርላማ ዘፅደቖ ዝኾነ ይኹን ስምምዕነት የለን።እንተድኣ ሃሊዩ ኣብ ስራሕ ዝውዕል ኣይኮነን።” ብድሕሪኡ ኣብ ዘሎ ግዜ ብኽልቲኡ ወገን ብዝልዓሉ ሕቶታት ዝተኻየደ ዝርርብ ጥራሕ እዩ ኢሎም።ናይ ዶብ ጉዳይ እቲ ፓርላማ ከይፈለጦ ዝግበር ነገር’ውን የለን እውን ኢሎም። እቲ ፓርላማ ኣብ መወዳእታ ካብ ክልል ደቡብ ዞባ ጋምጎፋ ዝተወከሉ ኣቶ ታገሰ ጫፎ ኣፈ ጉባኤ ናይቲ ቤት ምኽሪ ብምምራጽ አኼብኡ ዛዚሙ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A0%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%88%8B%E1%88%9B-%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%88%A8%E1%89%A0%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%88%95%E1%89%B6%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%8A%E1%88%B6%E1%88%9D\/4619323.html"} {"headline":"ሚንስትራት ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ሞቓድሾ ዑደት ፈፂሞም","content":"ሚንስትራት ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ፣ኤርትራን ሎሚ ረቡዕ ኣብ ሞቓድሾ ብምርኻብ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተረኽበ ሰላም ንምሕያል ብሓባር ንምስራሕ ምስምምዖም ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖረት ፀብፂቡ። ናይ ኢትዮጵያ ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ዶ\/ር ወርቅነህ ገበየሁ፣ናይ ኤርትራ ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ናይ ሶማል ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሕመድ ኢሴ ኣዋድን ኣብዚ ናይ ሎሚ ረቡዕ ርክቦም ብፍላይ ሰላም፣ምርግጋእን ብልፅግናን ንምርግጋፅ ፃዕርታት ንምሕያል ሰፊሕ ዘተ ከምዘካየዱ'ቲ ዜና ይሕብር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/foreign-ministers-of-ethiopia-and-eritrea-visited-somalia\/4617883.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ደቡብ ወረዳ ኣማሮ ሰለስተ ወታደራት ተቐቲሎም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ወረዳ ኣማሮ ዕጡቓት ብተደጋጋሚ መጥቓዕቲ ይፍፅምሉ ከምዘሎ ኣማሓዳሪ ናይቲ ወረዳ ንቪኦኤ ገሊፆም። ኣብ መዋስንቲ ከባቢታት ወረዳ ኣማሮን ዞባ ምዕራብ ጉጂን ብሰንኪ ዝተፈጥረ ግጭት ንምዝሓል ካብ ዝኣተው ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ሰለስተ ከምዝተቐትሉን ክልተ ከምዝቖሰሉን ዝተዛረቡ ናይታ ወረዳ ኣማሓዳሪ ኣቶ ኣማኑኤል ኣብደላ እቶም ዕጡቓት ‘’ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ምዃኖም ሓበሬታ ኣለና’’ኢሎም። ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ሓበሬታ ከምዝበፅሖም ዝገለፁ ኣባል ፈፃሚ ስራሕን ወሃቢ ቃልን ኦነግ ኣቶ ቶሌራ ኣዳባ ፈፃሚኡ ሰራዊት ኦነግ ድዩ፤ኣይኮነን ዝብል ኣብ ምፅራይ ንርከብ ኣለና ክብሉ ንቪኦኤ ግገሊፆም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/three-govenrment-solidiers-killed-and-two-others-wounded-in-southern-ethiopia\/4617869.html"} {"headline":"ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንሹመት ሓደስቲ አባላት ካቢነ አጽዲቑ","content":"ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስተር አብይ አሕመድ ንዘቅረብዎ ሹመት ሓደስቲ አባላት ካቢነ ሎሚ አጽዲቑ። እቲ ሓድሽ ካቢነ ኣብ ኢትዮጵያ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ኣብ ኣፍሪቃ ንመጀመርያ ክበሃል ብዝኸአል ደረጃ 50 ሚእታዊት ካብ አባላቱ ደቂ ኣንስትዮ ኮይነን ኣለዋ።ብተወሳኺ ሓላፍነትን ስልጣንን አባላት ፈጻሚ አካል ንምውሳን’ውን አዋጅ ጸዲቑ’ሎ። ነቲ ሹመት’ቶም አባላት ንካቢነ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ቀ\/ሚ ዶ\/ር አብይ አሕመድ ከምዚ ኢሎም ኔሮም። “ምስዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘሎ ሓፈሻዊ ኩነታት ተታሓሒዙ ምላሽ ምሃብ ዘኽእል ብቅዓት ንኽህልዎ ቁጽሪ ካቢነ ካብ ዝነበሮ ናብ 20 ወሪዱ ዝወራረስ ዝቀራረብ ዝተአሳሰር ስራሕ ዘለዎም ትካላት ተጣሚሮም ብሓባር ንክውደቡ ሓሳብ ቀሪቡ’ሎ።” ኣብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓጋዚ ሚንስተር ዴኤታ ንተጸዋዕነት መንግስቲ አቶ አማኑኤል አብርሃም ብዛዕባ’ዚ ንድምጺ ኣሜሪካ መብርሂ ሂቦም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8B%88%E1%8A%A8%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%B9%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A2%E1%8A%90-%E1%8A%A0%E1%8C%BD%E1%8B%B2%E1%89%91\/4616140.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ሚንስተር ምክልኻል መዚዛ","content":"ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ሓደስቲ አባላት ካቢነ መዚዞም፡ መዝነት ነባር አባላት ድማ ቀይሮም። ቀ\/ሚ አብይ ኣሕመድ ኣብቲ ሎሚ ሰሉስ ዘካየድዎ ምምዛዝ አባላት ካቢነ ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ 28 ቤት ዕዮ ሚንስትሪታት ናብ 20 ብምጉዳልን ፍርቂ ካብቲ ቤት ዕዮታት ዝመርሓ 10 ደቂ ኣንስትዮ መዚዞም። ኣፈኛ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝነበራ ወ\/ሮ ሙፍርየት ካሚል ሓድሽ ንዝተመስረት ሚንስትሪ ሰላም ሚንስተር ኾይነን ተሸይመን’ለዋ። ንኣቐዲመን ሚንስተር ህንጻ ዝነበራ ወ\/ሮ ኣይሻ መሓመድ ድማ ኣብ ታሪኽ’ታ ሃገር ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ሚንስተር ምክልኻል ኾይነን ተሸይመን። ቀ\/ሚ አብይ አሕመድ ሓደስቲ ሚንስተራት ሕርሻ፡ ባህልን ቱሪዝምን፡ ትምህርቱ፡ ዕዮ፡ ማዕድን፡ዕብየትን ውጥንን፡ አታዊ ውሽጢ ሃገር፡ሳይንስ፡ንግዲ፡መጉዓዝያ፡ ምምዕባል ከተማታትን ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮን መዚዞም’ለዉ። ካብ መዝነቶም ዘይተቐየሩ ሚንስተራት ድማ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶ\/ር ወርቅነህ ገበየሁ፡ ሚንስተር ጥዕና ኣቶ ኣሚር አማን፡ ሚንስተር ማይን ሓይሊ ጸዓንትን ኣቶ ስለሺ በቀለ ከምኡ’ውን ሚንስትር ኣኽባሪ ሕጊ ኣቶ በርሃኑ ጸጋይ እዮም። ነዚ ሓድሽ መዝነት ሚንስትራት ብዝምልከት ምስ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ሙሉጌታ አጽብሃ ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%98%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%8C%93%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%8B%9A%E1%8B%9B\/4615771.html"} {"headline":"ድምጺ ኣሜሪካ ን27 ሪፖርተራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ አዲስ አበባ ስልጠና ይህብ","content":"ዴሞክራስን ዴሞክራሲያዊ ትካላትን ንምህናፅ ግደ መራኸቢ ብዙሃን ዝለዓለ ምዃኑ ኣብ ድምጺ ኣሜሪካ ዳይሬክተር ክፍሊ ኣፍሪቃ ኣቶ ንጉሰ መንገሻ ዝገለጸ ክኸውን ከሎ ድምጺ ኣሜሪካ ድማ ዝኸአሎ ከምዝሰርሕ ተዛሪቡ። ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ካብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዊሱ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተዋፅኡ 27 ሪፖርተራት ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስልጠና ምሃብ ጀሚሩ’ሎ።ፈላማይ ኣፍሪቃዊ ዳይሬክተር ክፍሊ ኣፍሪቃ ሬድዮ ኣቶ ንጉሰ መንገሻ ድሕሪ 37 ዓመታት እዩ ናብ ሃገሩ ምምላሱ’ውን ተገሊጹ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%9527-%E1%88%AA%E1%8D%96%E1%88%AD%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%88%AD%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A0%E1%8A%93-%E1%8B%AD%E1%88%85%E1%89%A5-\/4614616.html"} {"headline":"ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ክብረ ወሰን ፍርቂ ማራቶን ፖርቱጋል ትሰብር","content":"ትማሊ ሰንበት ኣብ ሊስቦን ፖርቱጋል ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያዊት ይበርጋል መለሰ ኣቐዲሙ ዝጸንሓክብረ ወሰን ብምስባር ብ1፡00፡16 ቀዳመይቲ ኮይና ክትዕወት ከላ እስራኤላዊት ሎናህ ቻማቲ ብ1፡07፡55 ካልኣይቲ፡ ኬንያዊት ቤቲ ለምባስ ድማ ብ1፡09፡49 ሳልሳይቲ ኮይና ተዓዊታ። ብተመሳሳሊ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ደቂ ተባዕትዮ ሞሮካዊ ሙስጠፋ ኢል አዚዝ ብ1፡00፡16 ቀዳማይ ፡ ኢትዮጵያዊ ዓብደዊክ ቱራ ብ1፡00፡41 ካልኣይ፡ ኤርትራዊ ኣማኑኤል መሰል ብ1፡00፡45 ሳልሳይ ብምኳን ተዓዊቶም። ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ማራቶን ውድድር ኢትዮጵያዊ ልመንህ ጌታቸው ብ 2፡07፡34 ቀዳማይ፡ ኬንያዊ ሳሙኤል ኑዱንጉ ብ2፡07፡51 ካልኣይ ኬንያዊ ጃስተን ኪፕሶንጊ ብ2፡07፡58 ሳልሳይ ብምኳን ክዕወቱ ከለው ብደቂ ኣንስትዮ ድማ ኢትዮጵያዊት ኩፍታ ዳዲሶ ብ2፡24፡56 ቀዳመይቲ፡ ኬንያዊት ሞኒካ ጄፕኮች ብ2፡27፡35 ካልኣይቲ፡ ኢትዮጵያዊት ትግስት መሙየ ብ2፡28፡35 ሳልሳይቲ ብምኳን ተዓዊተን ኣለዋ። እቲ ውድድር ብሰንኪ ኣብታ ከተማ ዝተራእየ ህቦብላን ንፋስን ድሕሪ ናይ ሓደ ሰዓት ምድንጓይ ዝተጀመረ ኽከውን ከሎ ናይቲ ፍርቂ ማራቶን ዝኻየደሉ ቦታ ለምተቐየረ’ውን ተፈሊጡ’ሎ። ኣቐዲሙ ኣብ ፈረንሳ ከተማ ፓሪስ ዝተኻየደ ናይ 20 ኪ.ሜ ውድድር ጉያ ድማ ብደቂ ተባዕትዮ ኤርትራዊ ሳሙኤል ጸጋይ ቀዳማይ ሩዋንዳዊ ፈሊሳ ሙሂቲራ ካልኣይ ፈረንሳዊ ሓሰን ቻሃልዲ ሳልሳይ ኮይኖም ክዕወቱ ከለው ብደቂ ኣንስትዮ ድማ ፈረንሳዊት ኦፈሊ ክላውድያ ቀዳመይቲ፡ ኢትዮጵያዊት ጫልቱ ዲዳ ካልኣይቲ ፈረንሳዊት ሊቭ ዌስትፋል ሳልሳይቲ ብምኳን ተዓዊተን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%88%8C%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%95-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%88%9B%E1%88%AB%E1%89%B6%E1%8A%95-%E1%8D%96%E1%88%AD%E1%89%B1%E1%8C%8B%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%AD\/4614198.html"} {"headline":"ድሕሪ 40 ዓመታት ንግዳዊ በረራ አዲስ አበባ- ሞቓዲሾ ጀሚሩ","content":"ከምመቐጸልታ’ቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝረአ ዘሎ ምሕያል ዝምድና ጎረባብቲ ሃገራት: ድሕሪ 41 ዓመታት ንግዳዊ በረራ ካብ አዲስ አበባ ናብ ዋና ከተማ ሶማል ሞቓዲሾ ብቐዳም ብዝተኻየደ ፈላማይ በረራ ጀሚሩ። እታ ዋንነታ ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ መንገዲ ኣየር ዝተባህለ ናይ ውልቂ መንገዲ ኣየር ዝኾነት ነፋሪት ብቐዳም ካብ መዓርፎ ነፈርቲ አዲስ አበባ ተበጊሳ መዓርፎ ነፈርቲ ዓደን ዓደ ሞቓዲሾ ምእታዋን ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ በረራታት ካብን ናብ አዲስ አበባ ሞቃዲሾ ከምተኻይድ ተፈሊጡ’ሎ። No media source currently available “ነዚ ናይ ቐጥታ በረራ ካብ አዲስ አበባ ናብ ሞቓዲሾ ንምክያድ ምኽኣልና ንዓና ታሪኻዊ’ዩ። ቀሊል ኣይነበረን፡ ብተደጋጋሚ ክንፍትን ጸኒሕና ኢና እንተኾነ ኣብ መወዳእታ ተዓዊታ አለና።” ክብሉ ወናኒ’ቲ መንገዲ ኣየር ኣቶ አበራ ለማ እቲ ነፋሪት ሞቓዲሾ ኣብ ዝኣተወትሉ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ምቕባል ሓቢሮም። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሓ ግጭት ምዝዛም ስዒቡ ካብ ናብ ኣስመራ አዲስ አበባ በረራ ምጅማሩ ይዝከር። እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጀመረ መስርሕ ሰላም ስዒቡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሶማል ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ምጅማሩ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡቲን ዝጸንሓ ውጥረት ድማ ናብ ንምዝዛሙ ይስራሕ ከምዘሎ ይፍለጥ። ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማል ዘሎ ዝምድና ንምሕያል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ናብ ሶማል ምብጽሖም'ውን ይዝከር። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA-40-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%8B%B3%E1%8B%8A-%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%88%AB-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3--%E1%88%9E%E1%89%93%E1%8B%B2%E1%88%BE-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9\/4614058.html"} {"headline":"ፕረ.ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ተመሊሶም","content":"ብመሰረት ካብ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ\/ር አብይ ኣሕመድ ዝተገብረሎ ዕድመ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ዑደት ድሒ ምክያድ ሎሚ ናብ ኣስመራ ተመሊሶም። ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተበጽሓ ስምምዕ ሰላምን ንምሕያልን ኣብ ካልኦት ንክልቲኦም ወገናት ዘገድሱ ጉዳያት ከምዝዝትዩ ሚንስትሪ ሓበሬታ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሮም። ከም አካል’ዚ ዑደት ክልቲኦም መራሕቲ ትማሊ ሰንበት ነቲ ብ8.1 ቢልዮን ብር ወጻኢ ዝተሃንጸ ‘ኦሞ ኩራዝ ሳልሳይ’ ናይ ሽኾር ፋብሪካ መሪቖም ምክፋቶም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣቶ ፍጹም አረጋ ኣብ ዘውጽእዎ ንናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሮም። ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኢትዮጵያ ዓበይቲ መሰረት ልምዓት ናይ ምፍፃም ዓቕምን ድልውነትን ኣለዋ ኢሎም።ዓብይ ስለዝሓሰብና ዓበይቲ ስራሓት በይንና ኣይንሰርሕን ዝበሉ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ምስ ኤርትራዊያን ኣሕዋት ህዝቢ ሓቢርካ ናይ ምዕባይ ትልሚ ኣብ ምውጣን ንናይ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ስነስርዓት ምረቓ ፋብሪካ ሽኮር ኦሞ ንኽርከቡ ከምዝዓደሙዎም ገሊፆም። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብወገኖም ኣብ ከምዚ ዝበለ ዓብዩ ፕሮግራም ልምዓት ክካፈሉ ንዝተገብረሎም ዕድመ ብምምስጋን ኤርትራ ካብዚ ፕሮጀክት እዚ ተመክሮ ክትረክብ እያ ምባሎም መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ሓቢሩ’ሎ። ፋብሪካ ሽኮር ኦሞ ኩራዝ ቁጽሪ ሰለስተ ኣብ ትሕቲ ፕሮጀከት ልምዓት ሽኮር ኩራዝ ኦሞ ካብ ዝህነፁ ኣርባዕተ ፋብሪካታት ሽኮር ሓደ እዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8D\/4613999.html"} {"headline":"ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ 5ይ መድረኽ ቱር ታሁ ሌክ ሳልሳይ ኮይኑ ተዓዊቱ","content":"ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ሓሙሻይ መድረክ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ዙር ቱር ታሁ ሌክ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ሳልሳይ ብምዃን ውድድሩ ብዓወት ዛዚሙ። ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ 146 ኪ.ሜ. ዝሸፈነ ውድድር ኤርትራዊያንን ተወዳደርቲ ጽቡቕ ውጽኢት ምምዝጋቦም'ውን ተፈሊጡ'ሎ። እቲ ካብ ካብ ጥቅምቲ 7 ዝጀመረ ውድድር ቱር ታሁ ሌክ 2018 ቻይና ዝመጽእ ሰንበት ክዛዘም'ዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%93%E1%89%B5%E1%8A%93%E1%8A%A4%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%88%85%E1%89%B1-%E1%8A%A3%E1%89%A5-5%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%8A%BD-%E1%89%B1%E1%88%AD-%E1%89%B3%E1%88%81-%E1%88%8C%E1%8A%AD-%E1%88%B3%E1%88%8D%E1%88%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%AE%E1%8B%AD%E1%8A%91-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%8A%E1%89%B1\/4610866.html"} {"headline":"\"ምብጻሕ ቀ\/ሚ ኮንተ ናብ ኤርትራ ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት ዘሐድስ'ዩ\" ኣቶ የማነ ገብረኣብ","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ጁሰፐ ኮንቲ ሎሚ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ኣቀባብላ ገይሮምሉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ጁሰፐ ኮንቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓሉ ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢጣልያን ዝምልከት ሓባራዊ ምትሕግ ጋዝ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ምስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ክዘራረብ ትጽቢት ተገይሩሎ ኣሎ። ቀ\/ሚ ኮንተ ኣቐዲሙ ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደት ኣብ ኢትዮጵያ ምክያዱ ይፍለጥ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%8C%A3%E1%88%8D%E1%8B%AB-%E1%8C%81%E1%88%B0%E1%8D%90-%E1%8A%AE%E1%8A%95%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%A9\/4610822.html"} {"headline":"ገለ እሱራት ቤት ማእሰርቲ መቐለ ሰብኣዊ መሰሎም ብዝጠሓሰ ኣገባብ ተታሒዞም ክብሉ ስድራቤት ጠሪዖም","content":"ኣብ ቤት ማእሰርቲ መቐለ ደቅና ሰብኣዊ መሰሎም ብዝጠሓሰ ኣገባብ ተታሒዞም ይርከቡ ኣለው ክብሉ ስድራ ቤት እሱራት ጠሪዖም። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ኣብቲ ቦታ ብዝተፈጠረ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ስዒቡ ንበይኖም ተፈልዮም ዝርኸቡ ልዕሊ 70 እሱራት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍፀመሎም ኣሎ ኢሎም። ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ ኣብዚ ጉዳይ ተሓቲቱ እቶም እሱራት በቲ ሓደጋ ባርዕ ምኽንያት ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ዝተተትሓዘ ብምዃኑ ዝርዝር መብርሂ ኣይህብን ኢሉ። ነቶም መቕረብቲ ቅሬታን ምላሽ ዝምልከቶ መንግስታዊ ኣካል ዝሓዘ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%88%E1%88%88-%E1%8A%A5%E1%88%B1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%8C%A0%E1%88%93%E1%88%B0-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%89%A3%E1%89%A5-%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%88%92%E1%8B%9E%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%88%B5%E1%8B%B5%E1%88%AB%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8C%A0%E1%88%AA%E1%8B%96%E1%88%9D\/4607679.html"} {"headline":"ቀዳማይ ሚንስተር ኢጣልያ ናብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ይበጽሑ","content":"ቀዳማይ ሚንስተር ኢጣልያ ጁሴፐ ኮንተ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደት ንምኽያድ ሎሚ አዲስ አበባ ኣትዮም። እቲ ርክብ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዝጸንሓ ታሪኻዊ ዝምድና ዘሓይል’ዩ ክብሉ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣቶ ፍጹም አረጋ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሮም። ቀ\/ሚ ጆሴፍ ኮንተ ዑደቶም ብምቕጻል ጽባሕ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ንምኽያድ ናብ ኣስመራ ከምዝኸዱ ሚንስተር ዜና ኤርትራ አቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሮም። ኣቶ የማነ ብተወሳኺ ቀ\/ሚ ኮንተ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዛዕባ ክልቲኣዊ ምትሕግጋዝ፡ ከምኡ`ውን ብዛዕባ ንኽልቲኦም ዘገድስ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ክመያየጡ`ዮም ኢሎም። እቲ ኢጣልያዊ መራሒ መንግስቲ ሎሚ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ ኸሎ፡ መዘንኡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ተቐቢሎሞ። ቀ\/ሚ ጁሰፐ ኮንተ ኣብ`ቲ እዋን -እቲ ቀታሊ ውጥረት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣኽቲሙ ውዕል ሰላም ካብ ዝፍረም ንድሓር ብምዕራባዊ መራሒ ዝግበር ቀዳማይ ምብጻሕ`ዩ ክብል ተዛሪቡ- ከም ምንጪ ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%8C%A3%E1%88%8D%E1%8B%AB-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%89%A0%E1%8C%BD%E1%88%91\/4609100.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኦነግ ዕጥቑ ክፈትሕ ኣተሓሳሲቡ፡ ኦነግ ብወገኑ ከምዘይሰማማዕ ኣፍሊጡ’ሎ","content":"ግንባር ሓርነት ኦሮሞ\/ኦነግ\/ ሰራዊቱ ዕጥቑ ክፈትሕ ከምዘለዎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቡ።ኦነግ ብወገኑ ምስቲ መግለፂ ከምዘይሰማማዕ ኣፍሊጡ’ሎ። ኣማሲዩ መግለፂ ዝሃቡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኦነግ ከምዚ ክብል እዩ ኢለ ኣይሓስብን፤ኣብ ቀረባ ክነዘራርቦም ኢና ኢሎም። “ኦነግ ዕጥቒ ኣይፈትሕ ኢሉ’ሎ ኢለ ኣይኣምንን እየ።ምናልባሽ ናይ መልሓስ ጌጋ ከይኸውን መሊስካ ምርግጋፅ የድልይ።ንዝኾነ ይኹን ተወዳዳሪ ፓርቲ ዕጥቒ ኣየድልዮን እዩ።ናይ ሓሳብ ዕጥቒ እዩ ዘድልዮም።… ሎሚ ክሙግት ዘኽእል፣ምኽንታዊን ሳይንሳውን ዝኾነ ዓቕሚ እዩ ዘድሊ እምበር ክላሽ ኣየድልን።” ምኽትል ሚንስትር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣቶ ካሳሁን ጎፌ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መግለፂ ኦነግ ናብ ሃገር ዝኣተወ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ውድድር ከካይድ እዩ፤ካብዚ ወፃኢ ዕጥቒ ሒዝካ ሰላማዊ ዝብሃል ነገር የለን ኢሎም።ኣብ ሓንቲ ልኡላዊት ሃገር ዕጥቒ ሒዙ ክመርሕ ዝኽእል መንግስቲ ጥራሕ እዩ፤ምፍታሕ ዕጥቒ ምስ ልዕልነት ሕጊ ዝተሓሐዝ ስለዝኾነ ንልዝብ ዝቐርብ ኣይኮነን፤ክልተ መንግስቲ ክህሉ ስለዘይግባእ መንግስቲ ናይ መንግስትነት ተራኡ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ከረጋግፅ እዩ ኢሎም።መንግስቲ ዘርእዮ ዘሎ ትዕግስቲ ናይ መንግስቲ ድኽመት ተገይሩ ከይውሰድ ኩሉ ከፍልጦ ኣለዎ እውን ኢሎም። ኣቦ መንበር ኦነግ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ንድምጺ ኣሜሪካ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኦነግ ኣብ ደቡብን ምዕራብን እታ ሃገር ዝተዓጠቑ ሰራዊት ከምዘለዎ ብምግላፅ ምፍታሕ ዕጥቒ ብዝምልከት ሰራዊት ኢህወዴግ ናይ ፓርቲ ሰራዊት ሰለዝኾነ ስኽፍታና ስግኣትና ንቀ\/ሚ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ገሊፅና ኢና ኢሎም። “ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ኣእዳዎም ብደም ዝጠልቀየ ኣዘዝቲ ኣለው።እዚኦም ክፀርዩ ከምዘለዎምን ተገምጊሞም ንፁሃንን ሰራዊት ኢትዮጵያ ምዃኖምን ክረጋገፅ ናትና ሕቶን ስግኣትን ብምዃኑ መንግስቲ ነዚ ክፍፅም ሓቲትና ኢና።ብወገና ድማ ምስኦም ዝተሰማማዕናሉ ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ደሕንነት መንግስቲ፣ኣብ ምክልኻል ሰራዊት ከምኡ እውን ኣብ ፖሊስ ኦሮሚያ ከመይ ክፅምበሩ ከምዝኽእሉ ኢና ተሰማሚዕና።” ኣቶ ዳውድ ንሕና ዝተሰማማዕናሉ ሓደ ዕጥቒ ዘፍትሕ ካልእ ድማ ዝፈትሕ ኣይኮነን፤ መንግስቲ ኲናት ዝኸፍት እንተኾይኑ ግን ናትና ጉዳይ ኣይኮነን ከም ድላዮም ክገብሩ ይኽእሉ እዮም ክብሉ ብጉዳያት ኮሚኒኬሽን ንዝተውሃበ መግለፂ መሊሶም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A6%E1%8A%90%E1%8C%8D-%E1%8B%95%E1%8C%A5%E1%89%91-%E1%8A%AD%E1%8D%88%E1%89%B5%E1%88%95-%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%B3%E1%88%B2%E1%89%A1-%E1%8A%A6%E1%8A%90%E1%8C%8D-%E1%89%A5%E1%8B%88%E1%8C%88%E1%8A%91-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%B0%E1%88%9B%E1%88%9B%E1%8B%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1-%E1%88%8E\/4608163.html"} {"headline":"ትካል ሰላምን ትራንስፎርሜሽንን ኢትዮጵያን ኤርትራን ንምቛም ተዳሊና ኣለና ይብሉ ሙሁራት","content":"‘ምሒር ታሕጓስ ዘበገሶ ክልተ ኣንስቲ ርእሰን ምቁጽጻር ኣብዩወን ዝወደቓሉ፣ ክሳብ 26 ጊዜ ዝተሰዓዓማሉ፣ ክትገልጾ ካብ ትኽእል ንላዕሊ’ዩ’ ኣብ መረብ ዝተራእየ ክስተት’ ይብል ዶ\/ር ክንፈ ኣብራሃ ብዛዕባ ምርኻብ ህዝቢታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ክምስክር ከሎ። ባሕቲ መስከረም ብወገን መረብ ራማ ዝነበረ ኩነታት ዶ\/ር በረከት ብርሃነ ክዛረብ ከሎ ‘እዚ ህዝቢ’ዚ ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ኣስመራ ካብ ዝነበረቶ ታሪኻዊት ፍጻመ ሰለስተ ወርሒ’ዩ ተጸብዩ። እዚ ፍቕሪ’ዚ እንዳሃለወ፣ እዚን ከምዝ’ን እንዳሃለወ ስለምንታ’ከ እቲ ምፍልላይ ኣጋጠመ? ናብ ዝብል ሕቶ’ዩ ዘእትወካ’ ይብል። ክልቲኦም ሙሁራት ‘ነቲ ዛጊድ ኣብ ኢድ ህዝቢ ኣትዩ ዘሎ ሰላም መታን ከየምልጠና ንምዕቃቡን ንምጥንካርን ሰላም ዝሰርሕ ትካል ሰላምን ቅያረን (ትራንስፎርሜሽን) ኣብ ክልቲኡ ገጽ ሩባ መረብ ንምኽፋት ምቅርራባት ዛዚሞም ከምዘለው’ ጠቂሶም። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/mereb-river-inistritute-of-peace-and-transformation-will-be-opend-to-work-for-peace-and-security\/4608156.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ንኣጠቓቕማ ወደባት ኤርትራ ብዝምልከት መጽናዕትታታ ኣጻፊፋ ከም ዝወደአት ኣፍሊጣ","content":" ኢትዮጵያ ንኣጠቓቕማ ወደባት ኤርትራ ብዝምልከት መጽናዕትታታ ኣጻፊፋ ከም ዝወደአት ኣፍሊጣ። ንሬድዮ ፋና ዝተዛረበት ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን በዓል-ስልጣን መጉዓዝያ ባሕሪ የሺ ፈቃደ፡ ኢትዮጵያ ንሎጂስቲክስን ዋጋታትን ዝምልከት ንዘሎ ኣማራጺታት ዳህሲሳ ከምዝወደአት ሓቢራ። መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብወደባት ዓሰብን ምጽዋዕን ብምጥቃም ቁጠባዊ ርክባቶም ንምሕያል መደባቶም ከጻፍፉ ተሰማሚዖም ኔሮም`ዮም። ንታሪፍ ብዝምልከት ብወገን ኤርትራ`ውን ይጽናዕ ከምዘሎን፡ ክልቲኡ መጽናዕትታት ብሓደ ተራእዩ ኣብ መደምደምታ ዝብጻሕ ምዃኑን ተጠቒሱ`ሎ። ኣብ ኣገልግሎት መጎዓዝያ ባሕሪ ሓላፊ ኣገልግሎት ጽዕነት ካፔቴን ተፈራ በዳሳ ብወገኑ፡ እቶም ወደባት ናይ ኤርትራ ከም ምዃኖም መጠን፡ ተወሰኽቲ ቀረባት ሎጂስቲክስ ብኤርትራ ክስርሑ`ዮም ኢሉ። ብኻልእ ወገን፡ ንወደብ ባጽዕ ብቕዓቱ ንምርግጋጽ፡ መስርሕ ምጽጋን ወደብን ጽርግያታትን ኣብ ምጅማር ከምዝርከብ እታ ሓላፊት ኮሚኒኬሽን መጉዓዝያ ባሕሪ ኢትዮጵያ ወሲኻ ሓቢራ`ላ። ኢትዮጵያን ኤርትራን ንናይ 20 ዓመት ናይ ምትፍናን ምዕራፍ ዓጺየን ምሕዝነተን ናብ ንቡር ክመልሳ ድሕሪ ምስምምዐን፡ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት መስመራት መንገዲ ኣየር፡ ተሌፎንን መጉዓዝያ-መሬትን ተኸፊቱ ስርሑ ቀጺሉ ይርከብ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8A%A3%E1%8C%A0%E1%89%93%E1%89%95%E1%88%9B-%E1%8B%88%E1%8B%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%8A%93%E1%8B%95%E1%89%B5%E1%89%B3%E1%89%B3-%E1%8A%A3%E1%8C%BB%E1%8D%8A%E1%8D%8B-%E1%8A%A8%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%8B%B0%E1%8A%A0%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A3\/4607707.html"} {"headline":"240 ዝኾኑ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ሕቶ ደሞዝ ኣልዒሎም ሎሚ ናብ ቤተ-መንግስቲ ምምርሖም ዝተወሰነ ስንባደ ፈጢሩ ምንባሩ ተፈሊጡ","content":"ሎሚ 240 ዝኾኑ ናይ መሰል ሕቶ ዘለዎም ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል፡ ምስ ዕጥቆም ናብ ቤተ-መንግስቲ ብምምርሖም ተፈጢሩ ዝነበረ ምስንባድ ከምዝተረጋግአ ኮሚሽነር ፈደራል ፖሊስ ዘይኑ ጀማል ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጹ። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣማሲይኡ ንመራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እቲ ጉዳይ ብሰላማዊ መንገዲ ብምምይጥ ከምዝተፈትሐ`ውን ሓቢሮም። እቶም ወተሃደራት ኣብ ቡራዩ ዝነበረ ኩነታት ንምርግጋእ ካብ ኣዋሳ ተጸዊዖም ዝነበሩ ምዃኖምን፡ ተልእኮኦም ፈጺሞም ናብ ቦትኦም ኣብ ዝምለስሉ ዝነበሩ እዋን “ዶ\/ር ኣቢይ ኣሕመድ እዩ ሽግርና ዝፈትሓልና” ብዝብል ናብ ቤተመንግስቲ ምምርሖም እቲ ኮሚሽነር ሓቢሩ። No media source currently available እቶም ወተሃደራት ዕላምኦም ክሳብ ዝፍለጥ ድማ ካልእ ሓይሊ ተጸዊዑ ንሓለዋ`ቲ ኸባቢ ከምዝተዋፈረ`ውን ሓቢሮም። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣማሲይኡ ንመራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እቲ ጉዳይ ብሰላማዊ መንገዲ ብምምይጥ ከምዝተፈትሐ`ውን ሓቢሮም። “ብምንም ዓይነት ዝተፈለየ ዕላማ ዘለዎም ኣይኮኑን፡ ሕቶና ናብ ዶ\/ር ኣቢይ ክነቕርብ ኢና ብምባል ትኽ ኢሎም ዝመጹ`ዮም። ካብ ቡራዩ ናብ ኣዋሳ እናሓለፉ ከለዉ እግረ-መንገዶም ሕቶና ከየቕረብና ኣይንኸይድን ካብ ዝብል ዝተበገሰ`ዩ። ካልእ ዘሻቕል ናይ ጸጥታ ሽግር ኣይነበረን። እቶም ወተሃደራት`ውን ካልእ ዝተፈለየ ዕላማ ኣይነበሮምን-ግን ሕቶኦም ክሳብ ዝፍለጥ ንጥንቃቐ ዝኣክል ሓደ ሓደ ናይ ጸጥታ ሓለዋ ተገይሩ ኔሩ`ዩ”። እቶም ኣባላት ምክልኻል ኣብ`ቲ እዋን ምስ ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ከምዝተመያየጡ ዝተገልጸ ክኸውን ከሎ፡ ዶ\/ር ኣቢይ ድሕሪ`ቲ ምይይጥ ንመራኸቢ ብዙሓን ኣብዝሃቦ መግለጺ፡ ብዛዕባ ምውሓድ ደሞዝን ናብርኦምን ሕቶ ከምዘቕረብሉን ኣዚዩ ሃናጺ ምይይጥ ምንባሩን ገሊጹ። “ጸገም ደሞዝ ከምዘሎ ፍሉጥ`ዩ-ኢትዮጵያ ድኻ ሃገር`ያ። ዋና ዕላማና ወጻኢ ቖጢብና ናብ ነባሪ ልምዓታዊ ፕሮጀክት ምዛር`ዩ። ንሕና ደሞዝና ክብ ኣቢልና እንተበሊዕናዮ ልምዓት ዝብሃል ነገር ኣይክህሉን`ዩ። እዚ ሰራዊት ምክልኻል ኮነ ካልእ ሰራሕተኛ መንግስቲ ክግንዘቦ ዘለዎ ጉዳይ`ዩ። ልዑል ደሞዝ እናወሰድና ዘላቒ ልምዓት ክነምጽእ ኣይንኽእልን ኢና። ዝበዝሐ ሃብትና ናብ ልምዓት እንተኣዚርናዮ ግን፡ ኣብ ቀጻሊ ዝሓሸት ሃገር ክንሃንጽ ንኽእል ኢና። ሰለዚ ምክልኻል`ውን ኣካል ናይ`ዚ ሓላፍነት`ዩ። ናታቶምን ናይ ካልኦትን ኩነታት ነመሓይሸሉ መንገዲ እናረኣናን እናኣፅናዕናን ዝርአ`ዩ ዝኸውን።” ኣተሓሒዙ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ እቲ ሓቂ እዚ ኾይኑ እናሃለወ፡ ብማሕበራዊ ሚድያታት ዝቐርቡ ዘለው ካብ ሓቂ ዝረሓቑ`ዮም-እቲ ሕብረተሰብ ርግእ ኢሉ ትኽክለኛ ምንጪ ክረክብ ይግባእ ኢሉ። “ኣብ ካልእ ጉዳይ`ዩ ከምኡ`ዩ ንምግጫው፡ ሽግር ከምዘሎ ሽብራ ከምዘሎ ከምስል ዝደሊ ሓይሊ ኣሎ። ሕብረተሰብ ርግእ ኢሉ እንተዘይሰሚዑ፡ ናይ ሓሶት ወፍሪ ተቐቢልና እንተኣተኣናግድና- ምብልላዕ`ዩ ጠቕሚ የብሉን።ብጉዳይ ብሄር፡ ብጉዳይ ሃይማኖት፡ ብጉዳይ ስልጣን መብዛሕቲኡ ዝለዓለ ነገር ኮነ ኢልካ ዝፍረኽ ነገር`ዩ። እዚኣቶም ምሳይ ዝተራኸቡ ኣባላት ምክልኻል ግን፡ ምንም ዓይነት ናይ ፖለቲካ ኣጀንዳ ዘይብሎም፡ ሃገሮምን ህዝቦምን ዝፈትዉ መንእሰያት`ዮም፡ ጠቓሚ ነገራት ከኣ ተመያይጥና ኣለና።” ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8D-%E1%88%95%E1%89%B6-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%89%A4%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%96%E1%88%9D-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%90%E1%88%AD-%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%88%A8%E1%8C%8B%E1%8C%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/4607638.html"} {"headline":"ልዕሊ 2,500 ሰራዊት ደምህት ዕጥቆም ፈቲሖም ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም","content":"ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝምለሱ ዝነበሩ ሰራዊት ደምህት ብዘጋጠሞም ሓደጋ መኪና 4 ሰባት ሞይቶም ብመሰረት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ፃውዒት ልዕሊ 2,500 ሰራዊት ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ(ደምህት) ሎሚ ሶሉስ ዕጥቆም ፈቲሖም ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም። ሎሚ ንጉሆ ካብ ኣስመራ ተበጊሶም ናብ ዘላምበሳ ይጓዓዙ ዝነበሩ ሰራዊት ዴምህት ኣብ ሰገንይቲ( ኤርትራ) ብዘጋጠሞም ሓደጋ መኪና ህይወት ኣርባዕተ ኣባላት ሰራዊት እቲ ምንቅስቓስ ሓሊፉ። No media source currently available ዴምህት ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ሰላማዊ ቃልሲ ንምክያድ ምዃኑ ኣፍሊጡ'ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%88%E1%88%B1-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A9-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8B%B0%E1%88%9D%E1%88%85%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%9E%E1%88%9D-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B-%E1%88%98%E1%8A%AA%E1%8A%93-4-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/4606202.html"} {"headline":"217 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ድሒኖም ማልታ ምእታዎም ተገሊጹ","content":"ወታሃደራዊ ሓይሊ ማልታ 217 ስደተኛታት ካብ ዝጥሕላ ዝነበራ ክልተ ጀላቡ ብምድሓን ናብ ማልታ ምእታዎም ገሊጹ። እቶም ስደተኛታት ብሰንበት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ክኾኑ ከለው እቶም ቀዳሞት 120 ስደተኛታት ድሕሪ ምድሓኖም ቁሩብ ሰዓታት ካልኦት 97 ምድሓኖም ወታሃደራዊ ሓይሊ ማልታ ሓቢሩ። ጉዳይ ስደተኛታት ንሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ክልተ ከፊሉ ኣብ ዘሎ ሕጂ እዋን ቁጽሪ ማእለካይ ባሕሪ ብምቁራጽ ኣውሮጳ ዝበጽሑ ስደተኛታት ምጉዳሉ ይግለጽ ኣሎ። No media source currently available ይኹን ደአ እምበር ማልታን ኢጣልያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝንቀሳቀሳ ሓገዝ ወሃብቲ መራኽብ ኣብቲ ባሕሪ ከይንቀሳቀሳ ድሕሪ ምኽልካለን ቁጽሪ ካብ ሊብያ ተበጊሶም ማእከላይ ባሕሪ ንምቁራጽ ዝፍትኑ ስደተኛታት ክብ ምባሉ ይገልጽ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8B%E1%8B%AD-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%8B%B5%E1%88%92%E1%8A%96%E1%88%9D-%E1%88%9B%E1%88%8D%E1%89%B3-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4605943.html"} {"headline":"ርእይቶ ነበርቲ መቐለ ኣብ መበል 11 ጉባኤ ኢህወዲግ","content":"ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ኣዋሳ ዝተዛዘመ ጉባኤ ኢህወደግ፡ንውሳነታቱን ኣካይድኡን ዝምልከት ንገለ ነበርቲ መቐለ ባህ ኣየበለን። ገሊኦም ዝተጸበናዮ ውሳነታት ኣየሕለፈን ክብሉ ከለዉ፡ ዶ\/ር ደብረጽየን ኣብ`ቲ ውድድር ክሳተፍ ኣይነበሮን ይብሉ። ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ 177 ኣባላት ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ 176 ድምፂ ብምርካብ ብዝለዓለ ድምፂ ክምረጽ ከሎ፡ ኣቶ ደመቀ መኮነን 149 ድምፂ ብምርካብ ምኽትል ኣቦ መንበር ኮይኑ`ሎ፡ ንምኽትል ኣቦ-መንበር ዝተጠቆመ ኣቦ-መንበር ሕወሓት ዶ\/ር ደብረጽየን ድማ15 ድምጺ ረኺቡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%89%A0%E1%88%8D-11-%E1%8C%89%E1%89%A3%E1%8A%A4-%E1%8A%A2%E1%88%85%E1%8B%88%E1%8B%B2%E1%8C%8D\/4604685.html"} {"headline":"ፕረ.ክልል ሶማል ነበር ዝርከብዎም 4 ተጠርጠርቲ ዘቕረብዎ ናይ ዋሕስ መሰል ቤት ፍርዲ ነጺግዎ","content":"ናይ ኢትዮ-ሶማሊያ ክልል ፕረዚደንት ነበር ኣቶ ኣብዲ መሓመድ ዑመር ሓዊሱ ኣርባዕተ ተጠርጠቲ ዘቕረቡዎ ሕቶ መሰል ዋሕስ ቤት ፍርዲ ነጺግዎ።ቤት ፍርዲ ፖሊስ ዘቕረቦ ተወሳኺ ናይ ምርመራ እዋን ብምፍቃድ ን9 ጥቅምቲ 2011 ዓ\/ም ቆፀሮ ሂቡ’ሎ። ተጠርጠርቲ ኣብ ኣተሓሕዝኦም ንዘቕረቡዎ ጥርዓን እውን እቶም ተኸሰስቲ ከምዝበልዎ ፀልማት ቤት ማእሰርቲ ከምዘየለን፣ሕክምና እውን ክሳብ ናይ ፖሊስ ሆስፒታል እናኸዱ ይሕኸሙ ምህላዎም ፖሊስ መልሲ ሂቡ’ሎ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5%E1%8B%8E%E1%88%9D-4-%E1%89%B0%E1%8C%A0%E1%88%AD%E1%8C%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%98%E1%89%95%E1%88%A8%E1%89%A5%E1%8B%8E-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%8B%E1%88%95%E1%88%B5-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8D-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%90%E1%8C%BA%E1%8C%8D%E1%8B%8E\/4604735.html"} {"headline":"ኣብ ዕረፍቲ ዝጸንሓ ፓርላማ ኢትዮጵያ ሎሚ ስራሑ ጀሚሩ","content":"ኣብ ክረምታዊ ዕረፍቲ ዝነበሩ ክልቲኦም ባይቶታት ኢትዮጵያ ናይ 2011 ዓ\/ም ፈላማይ ሓባራዊ ኣኼብኦም ፕረዚደንት ሙላቱ ተሾመ ብዘስምዕዎ መደረ ሎማ ሶኑይ ተጀሚሩ’ሎ። ኣብዚ ኣኼባ ክልቲኡ ባይቶታት ቤት ምኽሪ ፌደረሽንን ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ዝተዛረቡ ፕረዚደንት ዶ\/ር ሙላቱ ተሾመ ቀንዲ ትኹረት እቲ መንግስቲ ካብ ዝኾኑ ሓደ ልዕልና ሕጊ ከምዝኸውን ኣፍሊጦም።ኣዋጅ ፀረ ሽበራ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣዋጃት ናይ ምምሕያሽ ስራሕ እውን ኣብዚ ዓመት’ዚ ከምዝፍፀም ኣረዲኦም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%95%E1%88%A8%E1%8D%8D%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%93-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%88%8B%E1%88%9B-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%91-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9\/4604708.html"} {"headline":"ዲፕሎማሲ ኤርትራ እንተተለወጠ'ዃ እሱራት ፖለቲካ ግን ኣይተፈትሑን ክብል ሁማን ራይትስ ዎች ኣፍሊጡ","content":"ኤርትራ ዲፕሎማስያዊ ለውጢ እንተገበረት’ኻ ግን እሱራት ገና ኣይተፈትሑን ክብል ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች አፍሊጡ። እቲ ትካል ወሲኹ ኣብ ቀረባ ዝተገብረ ማእሰርቲ ሚንስተር ፋይናንስ ነበር ብርሀነ ኣብርሀ’ውን ሜላ ጭቆና ቀፂሉ ከምዘሎ ዘርኢ ዘሻቅል ምልክት’ዩ ኢሉ’ሎ። ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምግባራ ኣብ ኤርትራ ነቶም ንብዙሕ ዓመታት ዝተኣሰሩ እሱራት ፖሎቲካ ለውጢ ክመፅእ’ዩ ዝብል ተስፋ እንተነበረ’ኻ ዛጊት ዝተራእየ ለውጢ የለን ክብላ ኣብቲ ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት ዳይሬክተር ምብራቅ አፍሪቃ ማርያ ብርነት ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፀን። ኤርትራ እሱራት ክትፈትሕን መሰል ሓሳብካ ናይ ምግላፅ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ አገልግሎት ናብ 18- አዋርሕ ክትመልስን እቲ ጉጅለ ፀዊዑ። ብዛዕባ’ዚ መግለፂ ሁማን ራይትስ ዎች ምላሽ መንግስቲ ኤርትራ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰለጠን። እቲ ጉጅለ ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት ዘውፅኦ ናይ ፅሑፍን ቪድዮን መግለጺን ከምኡ’ውን ድምጺ ኣሜሪካ ምስ ናይቲ ጉጅለ ዳይሬክተር ምብራቅ ኣፍሪቃ ዘካየደቶ ቃለ-መጠይቅ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ምሉእ ጸብጸብ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይት ዎች ኣብዚ ምንባብ ይክኣል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B2%E1%8D%95%E1%88%8E%E1%88%9B%E1%88%B2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%89%B0%E1%88%88%E1%8B%88%E1%8C%A0-%E1%8B%83-%E1%8A%A5%E1%88%B1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB-%E1%8C%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%89%B5%E1%88%91%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%88%81%E1%88%9B%E1%8A%95-%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%89%B5%E1%88%B5-%E1%8B%8E%E1%89%BD-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4601787.html"} {"headline":"ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣቦ መንበር ኣቶ ደመቀ መኮነን ምኽትል ኢህወዴግ ኮይኖም ተመሪፆም","content":"ኣብ ከተማ ሃዋሳ ክካየድ ዝቐንየ መበል 11 ጉባኤ ኢህወዴግ ንዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣቦ መንበር ንኣቶ ደመቀ መኮነን ድማ ምኽትል ኣቦ መንበር ገይሩ ብምምራፅ ሎማ ዓርቢ ተዛዚሙ። ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ከተማ ሃዋሳ ክካየድ ዝቐነየ ጉባኤ ኢህወዴግ ናይቲ ውድብ ኣቦ መንበር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ምኽትል ኣቦ መንበር ኣቶ ደመቀ መኮነን ክኾኑ መሪፁዎም ኣለው።ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ 177 ኣባላት ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ 176 ድምፂ ብምርካብ ብዝለዓለ ድምፂ ተመሪፆም ኣለው።ኣቶ ደመቀ መኮነን 149 ድምፂ ብምርካብ ምኽትል ኣቦ መንበር ኮይኖም ኣለው። ኣብቲ ጉባኤ ብተዓዛብነት ካብ ዝተሳተፉ ሓደ ኣቶ ደሳለኝ ሃይሉ እቲ ከይዲ ምርጫ ንኹሉ ግልፂ ከምዝነበረ ብምሕባር ንኣቦ መንበርነትን ምኽትልን ዝነበረ ምርጫ ከምዚ ክብሉ ገሊጾሞ ። “ሰለስተ ሰባት ተረቑሖም ።ንዶ\/ር ኣብይ ናይ ደቡብ ክልል ኣቶ ሚሊዮን ይመስለኒ ጠቒሞምዎም፣ኣቶ ለማ መገርሳ ንኣቶ ደመቀ ጠቒሞምዎም ኣቶ ገዱ ድማ ንዶ\/ር ደብረፅዮን ጠቒሞምዎም።” ኮሚቴ እቲ ውፅኢት ክገልፅ ከሎ ብዓብይ ጣቒዕትን ጭደራን ዝተሰነየ ነይሩ።ናይቲ ኮሚቴ ተወካሊ ዝኾኑ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣቶ ብርሃኑ ፀጋየ ነቲ ውፅኢት ከምዚ ክብሉ ኣወጁ። “ፈለማ ንኣቦ መንበርነት ካብ 177 ኣድመፅቲ 176 ድምፂ ንዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ሂቦም ኣለው።” ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፉ ኣባላት እቲ ምርጫ ዴሞክራሲያዊ ከምዝነበረ ገሊፆም ኣለው።ኣብ ወፃኢ ሃገር ኮይኖም ንኢህወዴግ ብምንቃፍ ካብ ዝፍለጡ ኣብቲ ጉባኤ ብተዓዛብነት ካብዝተሳተፉ ዶ\/ር ብርሃነ መስቀል ኢህወዴግ ተቓወምቲ የልዕሉዎም ምስ ዝነበሩ ሓሳባት ምስምምዑ ዕግበቶም ብምግላፅ በዚ ክቕፅልሉ ተስፋና እዩ ኢሎም። ኢህወዴግ ኣብ መወዳእታ ሸውዓተ ነጥብታት ዝሓዘ መግለፂ ኣውፂኡ’ሎ። እቲ መግለፂ ናይ ዜጋታት ምዝንባል፣ናይ ዕስለ ፍርዲ ኢሰብኣዊ ተግባራት ይፍፀሙ ከምዘለው እቲ መግለፂ ከም ብድሆታት ጠቒሱዎም ኣሎ። “ናይ ዜጋታት ሞትን ምዝንባልን፣ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብነፃነት ተዘዋዊርካ ናይ ምስራሕ ሕገ መንግስታዊ መሰላት ክጥሓሱ ይርኣዪ ኣለው።እዞም ፀገማት እዚኦም ካብ ሱሮም ክቡቀሱ ዘለዎም ፀገማት ብምዃኖም ናይ መንነት ይኹን ናይ ወሰን ሕቶታት ብነፃ ድልየት ዝምልከቶም ዜጋታት ኣብ ግምት ብምእታው ብሕገ መንግስታውን ዴሞክራሲያውን መስርሓት ክፍትሑ፣ናይ ዜጋታት ኣብዝኾነ ቦታ ተዘዋዊሮም ናይ ምንባር፣ናይ ምስራሕን ብቋንቍኦም ናይ ምምሃርን ናይ ምድናይን ባህሎም ናይ ምዕባይ …ሕገመንግስታዊ መሰሎም ክኽበረሎም ከምኡ እውን ብሄራዊ መንነትን ሃገራዊ ሓድነትን ከይተነፃፀሉ ንክኽበሩ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና።” ኣብቲ መግለፂ እሱራት ምፍትሖም ናይ ዴሞክራሲ ሃዋህው ምስፍሑ፣ዝተፈላልዩ ውድባት ናብ ሃገር ኣትዮም ብሰለም ክንቀሳቐሱ ምግባሩ፣ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓደሽ ናይ ሰላም ምዕራፍ ምጅማረ ዓብዪ ናይ ዲፕሎማሲ ዓወት ተባሂሉ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/prime-minister-abiy-ahmed-elected-chairman-of-eprdf\/4601321.html"} {"headline":"ርእይቶ ተሳተፊቲ መበል 12 ጉባኤ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣምሓራ","content":"ተሳተፍቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ባህር ዳር ዝተኻየደ መበል 12 ናይ ኣምሓራ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ጉባኤ እቲ መድረኽ ካብ ዝተፀበናዮ ንላዕሊ እዩ፤እቲ ውድብ ኣብቅድሚኡ ዕድላትን ፈተናታትን ይፅበዩዎ ኣለው ክብሉ ተሳተፍቲ ርእይቶኦም ሂቦም ኣለው። ኣብ መበል 12 ጉባኤ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣምሓራ ዝተሳተፉ ኣቦ ወንበር ኮሚቴ ኣናዳይ ሕቶ መንነት ወልቃይት ኮሎኔል ደመቀ ዘውዴ እቲ መድረኽ ከመይ ከምዝነበረ ተሓቲቶም ከምዚ ክብሉ ይምልሱ። “እቲ መድረኽ ኣዚዩ ካብ ትፅቢትና ንላዕሊ እዩ ነይሩ።ዴሞክራሲያዊ ነይሩ፤ኣዐሪዩ ኣስተውዓሊ ህዝቢ ተሳቲፊ ነይሩ።ዘቕርቡዎ ሓሳብ እውን ካብ ስምዒትን ፀቢብነትን ነፃን ኣምሓራይን ዝኾነ ኣተሓሳስባ ዘለዎ፤ኣብዚ ክልል ናይ ዝነብር ህዝቢ መሰል ዘረጋግፅ ሓሳባት ዝቐረበሉ ነይሩ።ኣብ መወዳእታ ዝሓሸ ውፅኢት እውን ሪኢና ኣለና።” እቲ ሓድሽ መሪሕነት ካብ ምሁራን፣መናእሰይ፣ደቂ ኣንስትዮን ካብ ነባራት ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴን ዝሓቖፈ ስለዝኾነ ዝሓሸ ውፅኢት ከመዝግቡ ይኽእሉ እዮም ኢሎም።ፍትሓውን ዴሞክራሲያዊን ነይሩ ኣብዝተብሃለ ጉባኤ ዝተመርፁ ሓደስቲ ኣባላት ኣመራርሓ ኣብ ቅድሚኦም ሕማቕን ፅቡቕን ይፅበዮም ከምዘሎ ኮሊኔል ደመቀ ይግለፁ። “ነዚ ህዝቢ ብዝግባእ እንተድኣ መሪሖምዎ ብዙሕ ሓጋዚ ኣለዎም።ካብ ህፃን ክሳብ ዓብይ፣ካብ ደቂ ኣንስትዮ ክሳብ ደቂ ተባዕቲዮ ህዝቢ ኣምሓራ ኣብ ጎኖም ደው ክብል ይኽእል እዩ።ክጥቀምሉ እንተድኣ ክኢሎም እዚ ዓብይ ዓቕሚ እዩ።ምስ ወሰንን ሕቶ መንነትን ክገጥሞም ዝኽእል ፈተና ፀኒዖም እንተድኣ ዘይፈቲሖምዎ ፈተና እዩ።ሕዚ ብመረገፂ ከም ውድብ ተቐቢሎምዎ ኣለው።ሕቶ ወሰንን መንነትን ናይ መላእ ኣምሓራ ሕቶ ስለዝኾነ ናቲ ውድብ መርገፂ ኮይኑ በቲ ጉባኤ ተወሲኑ’ሎ።እዚ ንምፍፃም ሓደ መርገፂ እንተድኣ ሒዞም ህዝቢ ኣብ ጎኖም ደው ክብል እዩ።” ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ኮይኖም ዝተመረፁ ዶ\/ር ኣምባቸው መኮነን ኣብዝሃብዎ ርእይቶ ድማ ከምዚ ኢሎም። “እቲ ውድብ ፈፂሞም ለውጢ ብዝደልዩ ሓይልታት እናተመልአ መፂኡ’ሎ።እቲ መደረኽ እውን ከምዝርኣኹምዎ ንዝፈትዎ እናንኣደ ንዝፀልኦ ድማ ብድምፁ በቲ ዝረኣኹምዎ ኣገባብ እንዳነቐፈ ዝተዛዘመ ጉባኤ እዩ ነይሩ።” ኣቶ ቹቹ ኣላባቸው ዝተበሃሉ ካልእ ወሃቢ ርእይቶ እቲ መሪሕነት ብብዙሕ መልክዑ ዝሓሸን ሰብ ክሰምዖ ዝኽእልን መሪሕነት ረኺቡ’ሎ ኢሎም።ናይ ኣምሓራ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ቅድሚ ሎሚ ህውሓት እዩባ ከምዚ ገይሩኒ፣ናይ ካልእ ኣባል መሪሕነት ይመርሐኒ’ሎ፣በረኸት እዩ ከምዚ ገይሩ ዝብሉ ምኽንያታት ስለዘየለ ነቲ ውድብ ብዝለዓለ ደረጃ ከቃልዖ እዩ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%89%B0%E1%88%B3%E1%89%B0%E1%8D%8A%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%89%A0%E1%88%8D-12-%E1%8C%89%E1%89%A3%E1%8A%A4-%E1%8B%B2%E1%88%9E%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%88%B2%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB\/4600098.html"} {"headline":"15 ሰራሕተኛታት ድምጺ ኣሜሪካ ብጠንቂ ዘይግቡእ ባህሪያት ክእግዱ ተወጢኑ","content":"ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ኣገልግሎት ቋንቋ ሃውሳ ይሰርሑ ንዝነበሩ 15 ኣባላቱ ካብ ስራሕ ኣጊዱ ወይካኣ ንክእግዶም ወጢኑ ኣሎ። ምኽንያት፣ ዘይግቡእ ባህሪ ኣርእዮም ከምኡውን ዘይግበኦም ክፍሊት ተቐቢሎም ዝብል ክሲ ድሕሪ ምቕራቡ። ዳይረክተር ቪኦኤ ኣማንዳ ቤነት ናብ ሰራሕተኛታት ኣብ ዝሰደደቶ መልእኽቲ ኢሜይል 'መሪሕነት'ቲ ትካል ነቲ ክሲ ቅድሚ ቀረባ ኣዋርሕ ከምዝሰምዐን፣ ምርመራ ከምዘሳለጠን' ጠቒሳ። 'ሕጊ ሚስጢራዊነት ንመንነትን ትሕዝቶን'ቲ ክሲ ንከይንዝርዝሮ ይኽልክለና'ዩ፣ እንተኾነ ድሕሪ መርመራን ምጽራይን'ዩ ናብ'ዚ ስጉምቲ እገዳን ውጡን እገዳን ኣብጺሑና'ውን' በለት ኣማንዳ ቤነት። ቪኦኤ ኣገልግሎት ሃውሳ ናብ ናይጀርያን ኒጀርን ዝፍኖ ኣገልግሎት'ዩ። እቲ ዘይግቡእ ክፍሊት ካብ'ቲ 'ፈነወ ዝቃላሓሉ ዞባ' ከምዝመጸ'ውን ወ\/ሮ ኣማንዳ ገሊጻ። ቤነት ኣብ ጽሑፋ 'መሪሕነት ክፍሊ ኣፍሪቃ ነቲ ምርመራን ምጽራይን ሙሉእ ድጋፍ ገይሩን ናብ ውሳነ እገዳን ውጡን እገዳ ንምብጻሕ'ውን ተሓባቢሩን'ዩ' ኢላ። ንሳ ወሲኻ 'ሰማዕትና ኣባና ካብ ዘሕደርዎ እምነት ዝበለጸና ነገር ክህሉ ኣይኽእልን። እዚ እምነት ሰማዕቲ ንምዕቃብ ድማ እቲ ዝላዓለ ብቕዓት ጋዜጠኝነት ካብ ምርግጋጽ ዝበለጸ ጉዳይ ኣይክህልወናን'ዩ' በለት።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/voa-terminates-15-hausa-service-journalists-amanda-bennet-\/4599967.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ተፈጥሮኣዊ ደርቂ 7.8 ሚልዮም ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ከምዘለው ተሓቢሩ","content":"ናይ ኢትዮጵያ ኣመራርሓ ኮሚሽን ሃገራዊ ስግኣት ሓደጋ ብሰንኪ ግጭት ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ሰባት ነናብ ምምሕዳሮም ንምምላስ ይስራሕ ኣሎ ክብሉ ኣፍሊጦም። ብተወሳኺ መብዛሕትኦም ካብኣቶም ነናብ መንበሪኦም ተመሊሶም’ዮም ክብሉ ኣመራርሓ’ቲ ኮሚሽን ሓቢሩ’ሎ። ብሰንኪ ተፈጥሮኣዊ ደርቂ ቁጽሪ ሓገዝ ዘድልዮም ዜጋታት 7.8 ሚልዮን ከምዝበጽሓ እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ’ሎ። ነቶም ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቤንሻንጉል ብዝተፈጥረ ግጭት ንዝተመዛበሉ ንምሕጋዝ’ውን ይንቀሳቀስ ከምዘሎ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ብዝተፈጥረ ግጭት 91,348 ሰባት ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም ምግላጹ ይዝከር። ኣብዚ እዋን’ዚ ብተፈጥሮን ሰብ ሰርሖ ሓደጋ ልዕሊ 8 ሚልዮን ዜጋታት ጉድ ኣት ከምዝበጽሖምን ረ ኤት ከምዘድልዮምን ነዚ’ውን ልዕሊ 6 ቢልዮን ብር ከምዘድልይ ክግለጽ ጸኒሑ’ዪ ንዝብል ሓበሬታ ምላሽ ዝሃቡ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ኮሚሽን ሃገራዊ ስግኣትን ሓደጋን ኣቶ ደበበ ዘውዱ ብሰንኪ ግጭትን ዘይምርግጋእን ዝተመዛበሉ ሰባት ብዝተ ሰባት እዮም ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%AE-%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%89%82-7-8-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8B%98%E1%8B%B5%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/4599924.html"} {"headline":"ኢጣልያ፡ ንስደተኛታት ሓገዝ ትህብ መርከብ ናብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምብጋሳ ተገሊጹ","content":"ኢጣልያ ንስደተኛታት ሓገዝ ትህብ መርከብ ሎሚ ሓሙስ ናብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምብጋሳ ኣብታ ሃገር ዝመደበረን ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ገሊጸን። ምብጋስ እታ መርከብ ዝተገለጸ ንነዊሕ እዋን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓገዝ ትህብ ዝነበረት መርከብ አኳይረስ ናብ ወደባት ማርሰል ኣብ ዝበጽሓትሉን ፓናማ እታ መርከብ ኣብ ትሕቲ ባንዴራኣ ከይትጉዓዝ ድሕሪ ምክልኻላ’ዩ። እታ ‘ማር ጆኒ’ ዝተባህለት ሓዳሽ መርከብ ኣብ ትሕቲ ናይ ኢጣልያ ባንዴራ ከምትጉዓዝን ካብ ወደብ አጉስታ ሲሲሊ ትማሊ ረቡዕ ምብጋሳን ተፈሊጡ’ሎ። እታ መርከብ ስደተኛታት ንምሕጋዝን ናብ ውሑስ ወደባትን ንምግዓዝ ዘይኾነ ኣብ ሓደጋ ዘለዋ ስደተኛታት ዝጸዓና መራኽብ ንምልላይ ናብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምውፋራ ተገሊጹ። ብተወሳኺ ህላወ’ታ መርከብ ነቲ ብወታሃደራዊ መራኽብ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያን ዓለምለኸ ሓለዋ ባሕሪን ዝተዓበለለ ማእከላይ ባሕሪ ሲቪላዊ ህላወ ንኽሕልዎ ምዃኑ ተሓቢሩ’ሎ። ኣቐዲሙ ናይ ስጳኛ ዘይመንግስታዊ ትካል ፕሮኣክቲቫ ኦፕን ኣርምስ ‘ኣስትራል’ ዝተባህለት መርከቡ ናብቲ ከባቢ ሊብያ ምልኣኹን ይዝከር። እታ መርከብ ብተወሳኺ ንዝኽሪ መበል ሓሙሻይ ዓመት ኣብ ገማግም ላምባዱሳ ዝሞቱ 366 ስደተኛታት ናብቲ ወደብ ምኻዳ’ውን ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ኣብ 2013 ዓ.ም ኣብ ላምባዱሳ ዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል 366 ስደተኛታት ኢጣልያ ስደተኛታት ንምድሓን ወታሃደራዊ ስርሒት ዘካይዳ መራኽብ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ክተውፍር ዝደረኸ ክከውን ከሎ ድሒሮም ዘይመንግስታዊ ትካላት’ውን ነቲ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ተሓዊሶሞ። እንተኾነ ኣብዚ ሕጂ እዋን መብዛሕትኦም ሓገዝ ወሃብቲ መራኽብ ዘይመንግስታዊ ትካላት ነቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘካይድዎ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ደው አቢሎም ኣለው። ጸብጻብ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ድሕሪ ናይ ላምባዱሳ ሓደጋ ኣስታት 15,000 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምሟቶም ይገልጽ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%8C%A3%E1%88%8D%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%89%B5%E1%88%85%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8C%88%E1%88%9B%E1%8C%8D%E1%88%9D-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%88%8A%E1%89%A5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%8B%E1%88%B3-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4599851.html"} {"headline":"ጉባኤ ኢህወደግ ሎሚ ኣብ ኣዋሳ ተኸፊቱ-ክሳብ ዓርቢ ክቕጽል`ዩ-ኣቦ መንበርን ምኽትል ኣቦ መንበርን ክመርጽ`ዩ","content":"“ክሳብ ሎሚ ብጥምየትን ኩናትን ብልመናን ብስደትን ንዝፈልጠና ዓለም፡ ወሃባይ`ምበር ተመጽዋታይ፡ ርእሲ`ምበር ጭራ ከምዘይኮና ንኽነርኢ ተጊህና ምስራሕ ከድልየና`ዩ”ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ። ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ኣተሓሒዙ፡ እቲ ቁምነገር ንሕና ነዛ ታሪኻዊት ሃገር ካብ`ቲ ክትጥሕል`ያ ዝተባህለትሉ ዓዘቕቲ ኣውጺእና ናይ ደቃ ኩርዓትን ክብርን ዲና ክንገብራ ወይስ ኣብ መበል 21 ክፍለዘመን ምህላውና ዘንጊዕና ነንሕድሕድና ብርስትን ጉልትን እናተባላዕና ናይ ደቅና መሕፍርትን ናይ ዓለም መስሓቕትን ክንገብራ ኢና ክብል ሓቲቱ። ኣብ ማእከልና ሓደ እንተተጎዲኡ ኩልና ኢና ንጉዳእ ዝበለ ዝበለ ዶ\/ር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንኹላትና ትኸውን ውቅብቲ ሃገር ተደሚርና ክንሃንጻ ኣለና ኣለና ኢሉ። ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድንብልሽውና ብዝምልከት ብፍላይ ህዝቢ ዘድልዮ ኣገልግሎት ብገንዘብ ክዕድግ ኣይግባእን-ከምኡ እንተኾይኑ ምስፋን ሕማቕ ምሕደራ`ዩ ኢሉ። “ብጉልባብ ምጉዳል ሰናይ ምሕደራ ነቲ ቀንዲ ሓደጋ ሃገርና ዝኾነ ሌብነት፡ በዞም ብልሽውና፡ ክራይ-ኣካብነት ዝብሉ መዐሸዊ ቃላት ምቅብጣር ገዲፍና ንሃገር ዝሰረቐ ሌባ፡ ሌባ ንብለሉ ሞራል ብቖራጽነት ክንሃንጽ ኣለና።” ን18 ፖለቲካዊ ውድባት ውሽጢ ሃገር ወኪሉ ኣብ`ቲ ናይ ኢህወደግ ጉባኤ መደረ ዘስምዐ ኣቶ ዋሲሁን ተስፋየ ብወገኑ፡ ህዝቢ ንውልቀ-ምልካዊ ስርዓት በቃ ኢሉ ብዘካየዶ ቃልስን ኢህወደግ ንባዕሉ ኣሪሙ ምቕራቡን ንሃገር ካብ ጫፍ ውድቀት ምድሓን ከምዝተኻእለ ጠቒሱ። “ሃገርና ኣብ ከመይ ዓይነት ኸቢድን ንህልውና ኣስጋኢ ዝኾነ ኩነታት ክትወድቕ ኣብ ጫፍ በጺሓ ምንባራ እንዝክሮ መሪር ሓቂ `ዩ።” ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%89%E1%89%A3%E1%8A%A4-%E1%8A%A2%E1%88%85%E1%8B%88%E1%8B%B0%E1%8C%8D-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%88%B3-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%8D%8A%E1%89%B1-%E1%8A%AD%E1%88%B3%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%88%AD%E1%89%A2-%E1%8A%AD%E1%89%95%E1%8C%BD%E1%88%8D-%E1%8B%A9-%E1%8A%A3%E1%89%A6-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%89%B5%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A6-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%98%E1%88%AD%E1%8C%BD-%E1%8B%A9\/4598516.html"} {"headline":"ትንታነን ትፅቢትን ጉባኤታት ህውሓትን ኢህወዴግን","content":"ኣሓት ውድባት ኢህወዴግ ኣብዝሓለፉ ሰሙናት ጉባኤአን ብምክያድን መራሕተን ብምምራፅን መበለ 11 ጉባኤ ኢህወዴግ ሎማዕንቲ ረቡዕ 23 መስከረም 2011 ዓ\/ም ዋና ከተማ ብሄር፣ብሄረሰባት ህዝብታትን ክልል ደቡብ ኣብዝኾነት ሃዋሳ ጀሚሮም ኣለው። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጉባኤኡ ዘካየደ ህውሓት ልዕሊ ፍርቂ ሓደስቲ መናእሰይ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ንክኾኑ እንተገበረ እውን ኣብ ላዕለዋይ መሪሕነት ፖሊት ቢሮ ክንድቲ ዝድለ ኣይኣተውን ይብሉ ሪኢቱኦም ዝሃቡና ምሁራትን ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣክቲቪስትታትን።ወ\/ሪት ሓዳስ በርሀ ብዓልቲ ሙያ ሕጊ ኮይና ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣብ ዝርከብ ንስድተኛታት ዝሰርሕ ናይ ኖርዌይ ትካል ትሰርሕ።ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ እውን ትነጥፍ። ኣቶ ሃያሉ ጎደፋይ ኣብ ዩኒቨርስቲ ነቀምት መምህር ሰነ-ልምዓት እዩ።ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብምፅሓፍ ይፍለጥ። ኣሓት ውድባት ኢህወዴግ ኣብ ውሽጠን ብሰንኪ ዘሎ ምስሕሓብንን ይኽተልኦ ብዘለዋ ዝተፈላለየ ናይ ፖለቲካ እምነትን ሓደ ኮይኑ ክቕፅሉ ክፅገሙ እዮም ይብሉ ክልቲኦም። ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/analysis-on-toplf-and-eprdf-congresses\/4598503.html"} {"headline":"ኣብ ቤንሻንጉል ጉምዝ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ቁጽሪ ዝተመዛበሉ 91,348 ምብጽሑ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቤንሻንጉል ጉምዝ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ቁጽሪ ዝተመዛበሉ ሰባት 91,348 ከምዝበጽሓ ኣመራርሓ ኮሚሽን ሃገራዊ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሊጡ። እቲ ኮሚሽን ብተወሳኺ ለገስቲ አካላትን ሕብረተሰብን ነቶም ካብቲ ክልል ዝተመዛበሉ ንክንሕግዙ ሓቲቶም ኣለው። ብኻልእ ወገን ካብ ዞባ ኮማሸ ዝተመዛበሉ ሰባት ብዘይካ ካብ ህዝቢ ነቀምቴ ዝወሃቦም ደገፍ ካብ መንግስቲ ዝረኸብናዮ ነገር የለን ብምባል ብህጹጽ መፍትሒ ይወሃበና ኢሎም። ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ነበርቲ ገለገለ ወረዳታት ኸአ ሕጽረት መግቢ ኣለና ይብሉ ኣለው። ሰበ ስልጣን’ቲ ክልል ብወገኖም ሕቶ ተመዛበልቲ ንምምላስ ንሰርሕ ኣለና ኢሎም ኣለው። ተመዛበልቲ ግን ጸገሞም እናገደደ ምበር ክመሓየሽ ኣይረኣናና ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%A4%E1%8A%95%E1%88%BB%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%8D-%E1%8C%89%E1%88%9D%E1%8B%9D-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%A8-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8C%BA-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%89-91-348-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%88%91-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4598449.html"} {"headline":"ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት ቲቦር ናጅ ንልኡኽ ኤርትራ ኣብ ዋሺንግተን ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ","content":"ምኽትል ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳይ ኣፍሪቃ ቲቦር ናጅ፡ ብሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ተቐቢሉ ከምዘዘራረቦ ብወግዓዊ ትዊተሩ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ ኣፍሊጡ። ቲቦር ናጅ ኣብ`ቲ መልእኽቱ፡ ኤርትራ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም፡ ጸጥታን ብልጽግናን ኣብ ምስፋሕ ኣገዳሲ ተራ ኣለዋ ኢሉ። ኣተሓሒዙ፡ እቲ ኣብ`ቲ ዞባ ዝቕጽል ዘሎ ለውጢ፡ ንህዝቢ ኤርትራን ኪነዉን ርግኣትን ዕድላትን ከምጽእ ይኽእል`ዩ ኢሉ። ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ዑስማን ሳልሕ ምስ ሓላፊ ጉዳይ ኣፍሪቃ ቲቦር ናጅ ኣብ ዋሽንግተን ምርኻቡ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ብምስታፍ ዝሓለፈ ቀዳም ነቲ ጉባኤ መደረ ከምዘስምዐ ይፍለጥ። ሚንስተር ዑስማን ኣብ`ቲ መደርኡ፡ ህዝቢ ኤርትራ ማዕቀብ ክልዓለሉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዝወረዶ በደል`ውን ካሕሳ ከምዝሓትት ኣፍሊጡ ኔሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%B2%E1%8D%95%E1%88%8E%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%89%B2%E1%89%A6%E1%88%AD-%E1%8A%93%E1%8C%85-%E1%8A%95%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8B%E1%88%BA%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%89%B0%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%89%90%E1%89%A2%E1%88%89-%E1%8A%A3%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A1\/4596819.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ንነዊሕ እዋን ዘገልገሉ 90 ሰራሕተኛታት ዲፕሎማሲያዊ ተልእኾ ናብ ሃገር ክምለሱ ጸዊዓ","content":"ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ ናይ ኢትዮጵያ ዲፕሎማስያዊ ተልእኾ ንነዊሕ ዓመታት ከገልግሉ ዝፀንሑ ሰራሕተኛታቶም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዘፀውዓ ወሃቢ ቃል ሚንሰትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣቶ መለስ ኣለም ገሊፆም። ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ኣለም ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብዝሃብዎ መብርሂ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝተፀውዑ ዲፕሎማት ዘይኮኑስ ኣብ ዝተፈላለዩ ተልእኾታት ኣብ ስራሕ ኣገልግሎት ምሃብ ተዋፊሮም ዝፀንሑ ልዕሊ 90 ዜጋታት እዮም ኢሎም። እዚ ስጉምቲ ሕዚ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ይካየድ ምስ ዘሎ ናይ ምምሕያሽ ብዝተኣሳሰርን ብቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ተቐባልነት ዝረኸበን ስራሕ ንምጅማር ምንቅስቓስ ይግበር ናይ ዘሎ ኣካል ከምዝኾነን እውን ገሊፆም። “ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዘፈር ኣገልግሎት ኣብ ተልእኾታት ክሰርሑ ዝፀንሑ ልዕሊ 90 ሰራሕተኛታት ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ናብ ሃገር ክምለሱ ፀዊዑ’ሎ።…እዞም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ሪፖርት ክገብሩ ዝተፀውዑ ኣብ ኤምባሲታትን ቆንስላትን ዝሰርሑ እዮም።” ኣቶ መለስ ኣለም ንዝተፀውዕሉ ምኽንያት ክገልፁ ከለው እታ ሃገር ምስ እትርከበሉ ውሽጣውን ደጋውን ኩነታት ውፅኢታዊ ዝኾነ ናይ ወፃኢ ርክብን ናይ ዲፕሎማሲ ስራሕን ንምፍፃም እቲ ሓደ ምኽንያት እዩ ኢሎም።ስሙር ፍሰት ሓበሬታን ዝተዋደደ ስራሕ ብምስራሕ ስሉጥ ኣገልግሎት ንምሃብ እውን ካልእ ምኽንያት እዩ ኢሎም።ነዚ ዝምጥን ናይ መሓውር ምምሕያሽን ናይ ዲፕሎማቲክ ዳግማይ ምደባን ከምዝፀደቐ’ውን ሓቢሮም። “ስለዚ ብሓፈሻ ኣዚዩ ቕልጡፍ ብዝኾነ ኣገባብ እናተለዋወጠ ይኸይድ ዘሎ ዞባውን ዓለምለኻውን ኣህጉራውን ኩነታት ተኣሳሲሩ ናይ ሃገርና ናይ ወፃኢ ርክብን ናይ ዲፕሎማሲ ስራሕን እናወሰኸ ምስ ምምፅኡ ሓላፍነትና ብዝግባእ ንምውፃእ ናይ መሓውር ምምሕያሽ የድሊ እዩ።በዚ ኣቢሉ እውን ስራሕን ሰራሕተኛን ናይ ምርኻብ ስራሕ እዩ ዝካየድ ዘሎ።” እዞም ተፀዊዖም ዘለው ብመሰረት ዝፀንሕሉ እዋን ምዃኑ ዝገለፁ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ኣለም ክሳብ ሎሚ ስለምንታይ ኣይተሰርሐን ንዝብል ሕቶ ኣብቲ ናይ መሓውር ምምሕያሽ ዝተርኣየ ጉድለት እዩ ኢሎም።ነዚኦም ዝትክኡ ሰራሕተኛታት ተዳሊዮም ስለዘለው ንሳቶም ክመፁ ከለው ካልኦት ክዋፈሩ እዮም ኢሎም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8A%90%E1%8B%8A%E1%88%95-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%88%E1%88%89-90-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%B2%E1%8D%95%E1%88%8E%E1%88%9B%E1%88%B2%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%89%B0%E1%88%8D%E1%8A%A5%E1%8A%BE-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%88%88%E1%88%B1-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%93\/4596715.html"} {"headline":"ኢጣልያ መራኽብ ህይወት ኣድሕን ኣብ ወደባት ከይዓርፋ ምኽልኻላ ቁጽሪ ሞት ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ክብ ዘብል’ዩ ክብሉ ሰብ ሞያ የጠንቕቑ","content":"ኢጣልያዊያን ተመራመርቲ ብመሰረት ካብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካላት ዝተአኸበ ሓበሬታ ኢጣልያ ወደባታ ንናይ ህይወት ኣድሕን መራኽብ ምዕጻዋ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንዘጋጥም ቁጽሪ ሞት ክብ ከምዘብል የጠንቕቑ። ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ማቶ ሳልቪኒ ኣብ ወርሒ ሰነ ናብ መዝነት ካብ ዝመጹ ንደሓር ብዘይመንግስታዊ ትካላት ዝውነና ናይ ህይወት ኣድሕን መራኽብ ኣብ ወደባት ኢጣልያ ከይዓርፋ ምክልኻሎም ይፍለጥ። እዚ ፖሊስ ሚንስተር ሳልቪኒ ነቲ ናብ ኢጣልያ ዝኣትው ቁጽሪ ስደተኛታት ብ 80 ሚእታዊት ምጉዳሉን ካብ አባላት ፓርቲኦም ዘለዎም ደገፍ ብዕጽፊ እንተወሰኸ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ግን ቁጽሪ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሞቱ ወይ ሃለዋቶም ዘይፍለጥ ክብ ምባሉ ይገልጽ። ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ሚንስተር ሳልቪኒ ናብ መዝነት ዝመጽሉ ቑጽሪ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሞቱ ስደተኛታት ገምጋም ኣብ መዓልቲ ካብ 3 ናብ 8 ክብ ምባሉ ተመራመርቲ ወሲኾም የረድኡ። ኣብዚ ሕጂ እዋን እታ እንኾ ብዘይመንግስታዊ ትካል ትውነን ዝነበረት መርከብ አኳይረስ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከይትንቀሳቀስ ብምክልካላ ስደተኛታት ዝሕግዛ ኮነ ሓገዝ ዝህባ መራኽብ የለዋን። ንሚንስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ሳልቪኒ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዒላማ እቶም ሚንስተር ውሕስነት ብዘይብሎም መራኽብ ማእከላይ ባሕሪ ንምቁራጽ ዝብገሱ ስደተኛታት ደው ንምባል ምኳኑ ይሕብሩ። መራኽበን ኣብ ማእኸላይ ባሕሪ ዘንቀሳቀሱ ዘይመንግስታዊ ትካላት ምስ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ደቂ ሰባት ምትእስሳር ኣለዎም ንዝብል ብተደጋጋሚ ዝቐርበሎም ክሲ ክነጽጉ ምጽንሖም’ውን ይፍለጥ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተወሳኺ ሓገዝ ወሃብቲ ከምዘድልይ ትማሊ ሶኑይ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%8C%A3%E1%88%8D%E1%8B%AB-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%8A%BD%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%8B%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%8B%AD%E1%8B%93%E1%88%AD%E1%8D%8B-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8B-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%88%9E%E1%89%B5-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8B%E1%8B%AD-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%8A%AD%E1%89%A5-%E1%8B%98%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8B%A9-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%9E%E1%8B%AB-%E1%8B%A8%E1%8C%A0%E1%8A%95%E1%89%95%E1%89%91\/4596316.html"} {"headline":"ግሎባል አላያንስ ካብ ቡራዩ ንተመዘናበሉ ዜጋታት ናይ 400,000 ዶላር ሓገዝ ኣተአኻኺቡ","content":"ዓለምለኸ ምትሕብባር ንመሰል ኢትዮጵያዊያን\/Global Alliance For the Rights of Ethiopians \/ዝተብሃለ ትካል ኣብ ቡራዮ ግድኣት ንዝወረዶም ዜጋታት ዝውዕል ኣብ ወፃኢ ካብ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ልዕሊ 400 ሽሕ ዶላር ሓገዝ ምእካቡ ገሊፁ። ናይቲ ትካል መስራቲ ኣቶ ታማኝ በየነ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ክንድ’ዚ ዝኣክል ገንዘብ ንምትእኽኻብ ብዙሕ ከምዘይተሰርሐ ብምግላፅ ክሳብ ሎሚ ኣብ ወፃኢ ካብ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ከምዚ ዝበለ ህልኽ ዝተመልኦ ሓገዝ ተራእዩ ኣይፈልጥን ኢሉ። ነቲ ገንዘብ ብወገን መንግስቲ ዝቆፃፀሮ ሃገራዊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ሓደጋ ስግኣት ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። ናይቲ ኮሚሽን ምኽትል ኮሚሽነር ኣቶ ዳመናው ዳሮ ነቲ ገንዘብ ካብ ኢድ ኣክቲቪስት ታማኝ በየነ ምቕባሎም’ውን ተሓቢሩ’ሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%8A%A0%E1%88%8B%E1%8B%AB%E1%8A%95%E1%88%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%89%A1%E1%88%AB%E1%8B%A9-%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%98%E1%8A%93%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-400-000-%E1%8B%B6%E1%88%8B%E1%88%AD-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%8A%A0%E1%8A%BB%E1%8A%BA%E1%89%A1\/4594941.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ብዝተላዕለ ግጭት ብዓሰተታት ዝቑጸሩ ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ዞባ ከማሼ ብፍላይ ድማ ቡሎይን ጅጋንፎይን ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብዝቐፀለ ግጭት ልዕሊ 72 ሽሕ ሰባት ምዝንባሎም ኣብ ነቀምት ዝርከቡ ሓላፊ ምምሕዳርን ፀጥታን ዞባ ምብራቕ ወለጋ ገሊጾም።ንሶም ብተወሳኺ ዝተወደበን ዝተዓጥቐን ሓይሊ ትማሊ ከቢድ መጥቓዕቲ ብምኽፋት ብወገን ክልል ኦሮሚያ 23 ሰባት ምሟቶም ሓቢሮም ኣለው። ምኽትል ኣማሓዳሪ ክልል ቤንሻንጉል ኣቶ ኣበራ ባይታ ብወገኖም ሰባት ምዝንባሎም ብምሕባር እቲ ኣሃዝ ግን ዝተጋነነ እዩ ኢሎሞ ኣለው።ብወገን ቤንሻንጉል 31 ሰባት ከምዝተቐትሉ’ውን ሓቢሮም። ናይ ኣካል ጉድኣት ዝወረዶም ከምዘለውን ብዙሓት መንበሪ አባይቲ ከምዝነደዱን ክልቲኦም ክልላት ገሊፆም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%A4%E1%8A%95%E1%88%BB%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%8D-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%93%E1%88%B0%E1%89%B0%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%91%E1%8C%B8%E1%88%A9-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4594933.html"} {"headline":"መበል 13 ጉባኤ ህውሓት ኣመራርሓ’ቲ ውድብ ብምምራጽ ተዛዚሙ","content":"መበል 13 ጉባኤ ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል አቦ መንበር እቲ ውድብ ንወ\/ሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚ ኣብሄር ድማ ምክትል አደ መነብር’ቲ ውድብ ጌሩ ብምምራጽ ኣኼብኡ ሎሚመዓልቲ ዛዚሙ። ኣብቲ ጉባኤ 55 ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ተመሪፆም ካብዚኦም እቶም 30 ሓደሽቲ እዮም። ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ቅድሚ ሐዚ ካብ ዝነበሩ 45 ናብ 55 ቁፀሪ ክውስኽ ዝተገበረ ኮይኑ ኣባላት ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ድማ ካብ 9 ናብ 11 ክዓቢ ተገይሩ። 12 ነባራት ኣመራርሓ ማእከላይ ኮሚቴ እውን ካብቲ ኮሚቴ ብኽብሪ ተሰናቢቶም። ኣብዚ ጉባኤ ሕገ ደንቢ እቲ ውድብ ዝተመሓሸ ኮይኑ ብመሰረት እዚ ኣባል ህወሓት ንምዃን ተወላዲ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ዝኾነ ተወላዲ ካlእ ክልል እውን መስመር እቲ ውድበ ተኣሚንሉ ኣባል ክኸውን ይኽእል እዩ ተባሂሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%A0%E1%88%8D-13-%E1%8C%89%E1%89%A3%E1%8A%A4-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%AD%E1%88%93-%E1%89%B2-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%AB%E1%8C%BD-%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%99\/4594798.html"} {"headline":"ኤርትራ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ክለዓልን ንዝሰዓበ ጉድኣት ክትከሓስን ሓቲታ","content":"ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ ዝሓቶ ዘሎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ተጻዒኑ ዝጸንሐ ማዕቀባት ብዘይ ምድንጓይ ውዱቕ ክግበር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዝወረደ ጉድኣትን ንዝተኸሰረ ዕድላትን ክከሓስን`ውን`ዩ ክብል ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ዘስምዕዎ መደረ ኣፍሊጡ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈረመ ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም፡ ነቲ ናይ 20 ዓመታት ጸሊም ምዕራፍ ዝዓጸወ`ዩ ዝበለ ሚንስተር ዑስማን፡ ኣብ ዞባዊ ጸጥታን ርግኣትን ዘርእዮ ዘሎ ኣወንታዊ ምዕባለታት`ውን ተወሳኺ ምስክር`ዩ ኢሉ። ታሪኻዊ ፍጻመ ንዝበሎ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ንተሳተፍቲ ብምዝኽኻር መደርኡ ዝጀመረ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ፡ እቲ ስምምዕ ነቲ ጸልማትን፡ 20 ዓመት ዘቑጸረን ናይ ኩናት ምዕራፍ፡ ነቲ ቀጻሊ ናይ ወጥርን ምፍሕፋሕን እዋን ዘኽተመ`ዩ ክብል ገሊጹ። እዚ ታሪኻዊ ዓወት-ሽሕ`ኳ 16 ዓመት ዝደንጎየ እንተኾነ- ክልቲአን ሃገራት፡ ጸጋታተን፡ ዓቕምታተን፡ ኣድማዒ ሓይልታተን ኣብ`ቲ ብጣዕሚ ዘድልየን ዕብየት ንኸውዕላ ዘፍቅደለን`ዩ። ድሮ`ኳ ኣብ ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ተስፋን ብሩህ ራእይን ኣስኒቑ`ሎ። ኣቶ ዑስማን ኣተሓሒዙ፡ ኣብ ምዕዋት`ቲ ኣብ ጉዕዞ ዘሎ ታሪኻዊ መስርሕ፡ብዝተፈላለየ መንገድታት ኣበርክቶ ዝገበራን፡ ፖለቲካዊ ሰናይ ድልየት ዘርኣያን ብርክት ዝበላ ሃገራት ምስጋናና ንገልጽ ኢሉ። ድሕሪ`ዚ ናብ`ቲ ኣብ 2009ን 2011 ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳታት ዝሓለፈ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ብርክት ዝበላ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ማዕቀብ ብቕልጡፍ ክልዓል ይሓታ`ኳ እንተለዋ፡ እቲ ዝርአ ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ኣካይዳ ግን ኣብ ሓደ ዝሰመረ ኣይኮነን ኢሉ። ገለ ሃገራት መስርዕ ኣካይዳን ካልእ ምኽንያታትን ቅድመ-ኹነትን ከናድያ ይርእያ`ለዋ-እዚ ድማ ነቲ ዘይሕጋዊ እገዳ፡ ናብ ካልእ ኣማእዚንካ ከምዝቕጽል ምግባር`ዩ ዝበለ ሚንስተር ዑስማን ሳልሕ፡ ህዝቢ ኤርትራ ፍትሒ ክሳብ ዝረጋገጽ ንመሰላቱ ደው ምባሉ ክቕጽል`ዩ ኢሉ። “ኤርትራ ብድልቲ ኣካል ከም ምዃና መጠን፡ ንትሸዓተ ነዋሕቲ ዓመታት ነቲ ብርዑን-ፍትሒ ተሸኪማ ደው ዝበለት ሃገር ከም ምዃና መጠን፡ ንምሕረትን ርሕራሐን ክትሓትት ኣይትኽእልን`ያ። ህዝብን መንግስትን ኤርትራ፡ ፍትሒ ክሳብ ዝረጋገጽን፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ ጌጋ ክሳብ ዝእረምን-ንመሰላቶም ደው ምባሎም ክቕጽሉ`ዮም።” ምኽንያት እገዳታት፡ ሰለስተ ምዃኖምን፡ ንሳቶም ድማ ቅድሚ ሎሚ ዝነበሩ ምምሕዳራት ኣሜሪካ፡ ድኽመት ዓቕሚ ሕቡራት ሃገራት፡ ከምኡ ድማ ንረብሓ ሓያላት ሃገራት ዘገልግሉ መንግስታት ምዃኖም ዝጠቐሰ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ምትእስሳር ዘይብሉ ጉዳያት እናምጻእካ ናይ ሓይሊ ኣገባብ ዝኽተል ኣካይዳ ምንባሩ ይገልጽ። “ቀንዲ ሃንደስቲ ናይ`ቲ ማዕቀብ፡ ቅድሚ ሎሚ ዝነበሩ ምምሕዳራት ኣሜሪካ `ዮም። ግጉይ ኣጀንድኦም ንምስጓም፡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ዘሎ ሓይሎም ተጠቒሞም ንሓንቲ ንእሽቶ ሃገርን ህዝብን ክቐጽዑ ደልዮም። ኣብ`ዚ ክዝከር ዘለዎ ነገር፡ ገለ ሰበ-ስልጣን ምምሕዳር ኣሜሪካ ዝነበሩ፡ ኣብ እዋን ጥርዚ ኩናት ዶብ 1999-2000 `ውን ተመሳሳሊ ማዕቀብ ክጽዕኑ ደልዮም ምንባሮም`ዩ። ንሱ ድማ ምትእስሳር ዘይብሉ መደባት ኣቕሪብካ ዝግበር ዝነበረ ናይ ሓይሊ ኣገባብ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ኣብ 2009 ዝተግብረ`ምበኣር ነቲ ናይ ሽዑ ኣጀንዳ ንምትግባር ዝተፈብረኸ ክሲ`ዩ።” ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣተሓሒዙ ንሓይልታት እገዳ ዝበሎም ከም ካልኣይ ክረቁሕ ኸሎ፡ ቅድሚ ሎሚ ዝነበሩ ስርዓታት ኢትዮጵያ፡ ንቻርተር ሕቡራት ሃገራትን፡ ነቲ ብውሕስነት ባይቶ ጸጥታ ዝተፈጸመ ውዕል ስምምዕ ኣልጀርስን ብቕሉዕ እናጠሓሱን፡ በቲ ኣብ ሚያዝያ 13, 2002 ዝተዋህበ ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምቕያድ እናኣበዩን ከለዉ፡ ዝኾነ ትርጉም ዘለዎ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊኦም ዘይምውሳዱ`ዩ ኢሉ። ሳልሳይ ረቛሒ ድማ፡ ንኣጀንዳታት ሓያላት ሃገራት ዘሳስዩ መንግስታት `ዮም ኢሉ። ኣስዒቡ፡ እቲ እገዳታት ካብ ኤርትራ ሓሊፉ ኣብ`ቲ ዞባ ዘስዓቦ ህውከትን ዘይምርግጋእን ዝለዓለ ምዃኑ ይጠቅስ፡ “ንዝሓለፈ ትሸዓተ ዓመታት ኣብ ኤርትራ ዝተነብረ ማዕቀባት፡ ርኡይ ቁጠባዊ ጉድኣት፡ ኣብ ህዝባ ድማ ዘየድሊ ሕሰም ኣስዒቡ`ዩ። ተተሓሒዙ ዝሰዓበ ናይ ምጽላም ወፍሪ፡ ንምስሊ `ታ ሃገር ኣብ ምድዋንን ንዕድላት ኢንቨስትመንት ኣብ ምድኻምን እዚ ዘይብሃል ጉድኣት ኣውሪዱ`ዩ። ምናልባት እቲ ዝዓበየ ጉድኣት ግን፡ ኣብ`ቲ ዞባ ዘስዓቦ ዘይምርግጋእን፡ ህውከት ክወልድ ምግባሩን`ዩ።” ሕጂ`ውን ኣብ`ዚ ብሰፊሑ ተቐባልነት ዝረኸበ ሰላምን ምትሕብባርን ሃገራት`ቲ ዞባ እናሃለወ፡ ገለ ዝተወሰና ሃገራት ነዚ ንጹር ሓቂ ዕሽሽ ኢለን እቲ ማዕቀብ ክቕጽል ምድላየን ዘስደምም`ዩ ዝበለ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ`ቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋእን ክሰፍን ን60 ዓመታት ዝገበሮ ነዊሕን ሓያልን ቃልሲ፡ ንኹሉ በደላትን ዘይፍትሓዊ እገዳን ክሰግሮ ኽኢሉ`ሎ ኢሉ። ኣብ መወዳእታ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ ገበን ስለዘየለ፡ይቕረታ\/ምሕረት ክሓተሉ ዝድረኾ ምኽንያት የብሉን-እኳ ድኣስ፡ ኣብ ልዕሊኡ ተጻዒኑ ዝጸንሐ ማዕቀባት ብዘይ ምድንጓይ ውዱቕ ክግበር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዝወረደ ጉድኣትን ንዝተኸሰረ ዕድላትን ክከሓስን`ውን`ዩ ዝሓትት ኢሉ። ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ኒው ዮርክ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ምስ ዋና -ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ ከምዝተራኸብን፡ ብዛዕባ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርአ ዘሎ ኣወንታዊ ምዕባለታት፡ ኣብ`ቲ ዞባ ንዝተረፉ ኣብ ምፍታሕ መንገድታት ኣብ ምርኣይን ከምዝዘተዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ`ሎ። ሚንስተር ዑስማን ሳልሕን ፕረዚደንታዊ ኣማኻሪ የማነ ገብረኣብን ዝርከብዎ ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ኒውዮርክ፡ ምስ ሚንስተራት ወጻኢ ኢትዮጵያን ጅቡትን ተራኺቡ ምዝታዩ ይዝከር። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%B0%E1%8A%90%E1%89%A2%E1%88%A9-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8A%A5%E1%8C%88%E1%8B%B3-%E1%8A%AD%E1%88%88%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%88%B0%E1%8B%93%E1%89%A0-%E1%8C%89%E1%8B%B5%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%8A%A8%E1%88%93%E1%88%B5-%E1%88%93%E1%89%B2%E1%89%B3\/4594742.html"} {"headline":"መበል 12 ኣኼባ ብኣዴን ተጀሚሩ","content":"ናይ ብሄረ ኣምሓራ ዲሞክራክራስያዊ ምንቅስቃስ መበል12 ኣኼብኡ ትማሊ ጀሚሩ። እቲ ቀጻልነት ለውጢ ንረብሓ ዲሞክራሲያዊ ህዝቢ ኣምሓራ ብዝብል ቴማ ዝተጀመረ ጉባኤ ብኣዴን ልዕሊ 1500 አባላትን ዕዱማትን ከምዝትረኽቡ ተፈሊጡ'ሎ። ነቲ ጉባኤ ብመደረ ዝኸፈትዎ አቦ መንበር አቶ ደመቀ መኮንን እዮም። አቶ ደመቀ ኣብ መደረኦም ኣብ ማዕርነት ዝኣምን ፈታዊ ነጻነትን ሕቡን ዝኾነ ህዝቢ ኣምሓራ ካብ ጌጋታትና ክንመሃር ዕድል ሂቡና'ዩ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%A0%E1%88%8D-12-%E1%8A%A3%E1%8A%BC%E1%89%A3-%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%B4%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9\/4592016.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ እገዳ ክልዓል ጸዊዓ","content":"ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ሎሚ ሓሙስ መስከረም 28 ኣብ መበል 73 ሓፈሻዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተረኺቡ ኣብ ዘስምዖ መደረ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዝበየኖ እገዳ ከይደንጎየ ከልዕሎ ግቡእ ምዃኑ ኣገንዚቡ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነህ ኣብ መደረኡ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ ብሓፈሻ ሓድሽ ናይ ሰላም ለውጢ ተጀሚሩ ምህላው ብምጥቃስ ብፍላይ ምስ ኤርትራ ብዝተተሓዘ ብዘይካ ምስ ኢትዮጵያ ምስ ሶማልን ጅቡትን እውን ሰላማዊ ጽምዶ ተጀሚሩን ካብ ሕብረት ኣፍሪቃን ዞባውያን ሃገራትን ሰፊሕ ደገፍ ምርካቡን ሓቢሩ። ምስዚ ብዝተሓሓዝ ዶ\/ር ወርቅነህ ገበየሁ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተጀመረ ለውጢ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ተስፋ ሒዙ ይመፅእ ኣሎ ኢሎም።ናይ ጅቡቲ ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ብወገኖም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣወንታዊ ምዕባለ ይመፅእ ኣሎ መራሕቲ ኤርትራን ጅቡቲን ዘይተፈትሑ ፀገማት ንምፍታሕ ተሰማሚዖም ኣለው ኢሎም። ኣብ ኒው ዮርክ ይካየድ ኣብዘሎ መበል 73 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት መደረ ዘስምዑ ዶ\/ር ወርቅነህ ገበየሁ ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዴሞክራስን ልዕነት ሕግን ንምርግጋፅ እናሰርሐት ትርከብ ኢሎም። ምስ ሓድሽ ፖለቲካውን ዴሞክራሲያዊን ክውንነት፣ብኩሉ ህዝቢ ተቐባልነት ዝረኸበ ለውጢ ነካይድ ኣለና ዝበሉ ንሶም እዚ ራኢ እዚ ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ክትዕን ዘተን ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣገዳሲ እዩ ዝብል እምነት ኣለና ኢሎም። መንግስቶም ዴሞክራሲያዊ ምሕደራ፣ልዕልነት ሕጊ፣ሚዛናዊነት፣ፍትሒ፣ፋይናንሳውን ቁጠባውን ተሓታትነት፣ግሉፅነትን ህዝባዊ ተሳትፎን ንምስፍሕፋሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ዘርዚሮም። “ኣብቶም ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እዚኣቶምን መልእኽትታት ምሕረት፣ ዕርቂ፣ሓድነትን ምሕዝነትን ህዝብታትና ንምርግጋፅ ኩሉ ዝክኣል ፃዕርታት ገይርና ኢና።” ብቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቶም ኣብ ኩሎም መዳያት ተኸታተልቲ ስጉምታት ብምውሳድ ቅድም ኢሎም ዝነበሩ ማሕለኻታት ልምዓት፣ብልሽውና፣መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ድልየትን ተስፋን ህዝብና ንምምላስ ክወስድ ዝፀንሑ ስጉምታት ኣብታ ሃገርን ካብኡ ንላዕልን ተቐባልነት ረኺቦም ኣለው ኢሎም። ፃዕርታትና ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዝተሓፀረ ኣይኮነን ዝበሉ ንሶም ኣብቲ ዞባ ካሊእ ታሪኻዊ ክስተት እውን ይፍፀም ኣሎ ኢሎም። “ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ቀዳማይ ሚንስተርና ኣብ ምሉእ ቀርኒ ኣፍሪካ ማዕረ ኣገዳስነት ዘለዎ ጉዳይ ፈፂሞም ኣለው።ኣብ መንጎ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ስሩዕ ርክብ ብምጅማር ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ርክባተን ሓቀኛን ሓድሽን ምዕራፍ ተኸፊቱ’ሎ።” ኤርትራን ሶማሊያን ኣፈላላያተን ብምትዕራቕ ዲፕሎማሲያዊ ርክባተን ዳግም ምጅማረንን ሰለስቲኦም ሚንስተራት ወፃኢ ኢትዮጵያ፣ኤርትራን ሶማሊያን ኣብ ኣስመራ ኣኼባ ብምክያድ ናብ ጅቡቲን ብምጉዓዝ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ሓድሽ ናይ ርክብ ምዕራፍ ምኽፋቱ ነቲ ጉባኤ ገሊፆም። ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድን ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝፀንሐ ምስሕሓብ ከብቅዕ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈረመ ስምምዕ ብምጥቓስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ ማዕቐብ ክልዓል እዋኑ እዩ ኢሎም። “እዞም ኣገደስትን ኣወንታዊ ምዕባለታትን ኣብ ግምት ብምእታው ቤት ምኽሪ ፀጥታ ብዘይ ምድንጓይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ ማዕቐብ ከልዕሎ ብዕቱብ ክሓስበሉ ግቡእን እዋናውን እዩ።” ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተርኣዩ ኣወንታዊ ምዕባለታት ብምግላፅ ብሓፈሻ ኣብቲ ከባቢ ዝተፈጥረ ሃዋህው ከምዚ ኢሎም። “እዚኦም ናይ ብሓቂ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝተኸሰቱ ዓበይቲ ምዕባለታት እዮም።ዋና ፀሓፊ ጉተረዝ ከምዝበሉዎ ኣብ ምሉእ ቀርኒ ኣፍሪካ ሓያል ናይ ተስፋ ንፋስ ይነፍስ ኣሎ።” ኢትዮጵያ ኣብ ምዕቃብ ሰላም ተበርክቶ ዘላ ኣስተዋፅኦ ክገልፁ ከለው ዶ\/ር ወርቅነህ ኣብ ቅድሚኣ እትስራዕ ዋላ ሓንቲ ሃገር የላን፤ምስ ሓድሽ ብድሆ ምዕቃብ ሰላም ቅሩብነትና ቀፃሊ እዩ ኢሎ። ኢትዮጵያ ሰላም፣ፀጥታን ምርግጋእ ሃገሮም ከምኡ እውን ዞባውን ኣህጉራውን ኣፍሪካ ፃዕርታትና ክቕፅል እዩ ኢሎም። ብዝተኣሳሰረ ኣብቲ ጉባኤ መደረ ዘስምዑ ናይ ጅቡቲ ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ማሕሙድ ዓሊ ዮስፍ ኣብ ዙሪያ ዓለም ናይ ልምዓትን ዕብየትን ኣጀንዳ ንምፍፃም ግጭት፣ህውከት፣ሽበራን ዝተወደበ ገበንን ዕንቅፋ ምዃኖም ብምሕባር ብኣንፃሩ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣወንታዊን ታሪኻውን ምዕባለ ይርኢ ኣሎ ኢሎም። ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተፈጥረ ሓድሽ ርክብ ንኻልኦት ሃገራት እውን ኣወንታዊ ውፅኢት ሒዙ መፂኡ’ሎ፤ከም ውፅኢቱ ናይ ኤርትራን ጅቡቲን ኩነታት ከምዚ ክብሉ ገሊፆም። “ፕሬዝዳንትታት ጅቡቲን ኤርትራን 17 መስከረም ብመንጎኛነት ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ሳልማን ዓብዱል ዓዚዝ ኣል-ሳውድ ኣብ ጅዳ ተራኺቦም ምዝርራቦም ንተሳተፍቲ እዚ ጉባኤ ክገልፅ እፈቱ።ኣብ መንጎ እዘን ኣሓት ሃገራት ሓዱሽ ምዕራፍ ክኸፍቱ ተሰማሚዖም ኣለው።” “እዚ ኣኼባ ስዒቡ ሳላ ዕቱብ ፃዕሪ ንጉስ ስዑዲ ዓረብን ክቡር ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድን ዝጀመሩዎ ልዝብ ክቕፅልሉን ምስሕሓብ ዶብን እሱራት ኲናትን ሓዊሱ ዘይተፈትሑ ጉዳያት ብሰላም ንምፍታሕ ተሰማሚዖም ኣለው።” ኣብ መንጎ ተነሓናሕቲ ወገናት ደቡብ ሱዳን ዝተበፅሕ ስምምዕ ሰላም እውን ብሓጎስ ከምዝተቐበሉዎም ሓቢሮም።ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ነዊሕ ተሳቕዮም ኣለው ሰላምን ዝሓሸ መፃዕን ይግብኦም እዩ ኢሎም ምንስቴር ወፃኢ ጅቡቲ። ብመሰረት ዝወፀ ፕሮግራም ናይ ኤርትራ ምንስቴር ወፃኢ ዑስማን ሳሊሕ ፅባሕ ቀዳም መደረ ከስምዑ እዮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A0%E1%8B%A8%E1%8A%90-%E1%8A%A5%E1%8C%88%E1%8B%B3-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%93\/4591642.html"} {"headline":"ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ኣብ ህልው ጉዳያት ዘትዩ","content":"ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ነቲ ታሪኻዊ ዝኾነ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጸሐ ስምምዕ ሰላምን ደረኽቲ ዝኾኑ ረቛሒታትን ስዒቡ ኣብቲ ዞባ ንዝተራእየ ምዕባለታት ብዝምልከት ሰፊሕ ዘተ ምክያዱ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ አቶ የማነ ገብረመስቀል ገሊጾም። ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ: ነቲ ዝተጀመረ ዞባዊ ሽርክነትን ዝምርሓሉ ሓድሕድ ልኡላውነት ምኽባር: ንሓባራዊ ጥቅሚ ዘገልግሉ ቅጥዓ ምንጻር: ጎዳኢ ግዳማዊ አጀንዳ ምንጻግ: ጠቓሚ ዞባዊ ኩነታት ምፍጣር ከምኡ’ውን ድምር ኩሉ ንጥፈታት ምክትታል ኣብ ዝብሉ ሓሙሽተ ነጥብታት ዘትዩ። በዚ መሰረት ድማ ካቢነ ሚኒስተራት ኣብ ምሕዳስን ምስፋሕን ወደባት: መጉዓዝያ ምድሪ: ጸዓት: ኢንዳስትርን ካልኦት ዓውድታትን ዘድልይ ፋይናንሳዊን ካልእ ውጥናት ተጀሚሮም ይስርሓሎም ከምዘሎን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ከምዝዛዘሙ ሓቢሩ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A2%E1%8A%90-%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%88%8D%E1%8B%8D-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%89%B5%E1%8B%A9\/4591577.html"} {"headline":"ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ: ኢትዮጵያን ጅቡትን ኣብ ስሉሳዊ ጉዳያት ሃገራቶም ዘትዮም","content":"ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኢትዮጵያን ጅቡትን ኣብ ስሉሳዊ ጉዳያት ብፍላይ ድማ ኣብ ሓድሕዳዊ ምድልዳል ሰላም፡ ሕውነትን ምትሕግጋዝን ኣብ ሞንጎ ሃገራቶም ዘትዮም። እቶም ሚኒስተራት ጉድያት ወጻኢ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ጎድኒ ጎድኒቲ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 73 ሓፈሻዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘካየድዎ ርክብ: ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣንን ተሃድሶ ለውጥን ንድሌት ኢትዮጵያውያን ከማልእ ዝግስግስ ዘሎ ምዃኑ ብምጥቃስ: ኣብ ጉዳያት ደሞክራሲ፤ ግዝኣተ ሕጊ ፤ ፖለቲካ፤ ቁጠባ ማሕበራዊ ማዕርነትን ፍትሕን ብዝበለጸ ንኽዓብዩ ዝግበር ዘሎ ስራሕ ተንቲኑ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ: እቲ ኣብ ዕርቅን ሕድገትን ኣምር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ምርኩስ ገይሩ ኣብ ምምዕባል ደሞክራሲ ምሕደራን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ዝስራሕ ዘሎ ስርሓት ድማ ንሓድነት ኢትዮጵያ የጠናኽር ምህላው ገሊጹ። መልእኽቲ ናይዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ከይተሓጽረ ክንዮ ዶባት ኢትዮጵያ: ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ምርግጋእን ብምፍጣር ንዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ኣህጉራዊ ድጋፍን ሓገዝን ይረክብ ምህላው ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነህ ብተወሳኺ ኣፍሊጡ። ሰለስቲኦም ሚኒስተራ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኢትዮጵያን ጅቡትን ንሰላምን ምትሕግ ጋዝን ብዝበለጸ ክሰርሑ ምዃኖምን ኣብ ዞባውን ኣህጉራውያን ጉዳያት ብሓባር ብምስራሕ ንዝተበጽሐ ደረጃ ምትሕግ ጋዝ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክብ ከብልዎ ድልውነቶም ከምዘረጋገጹ ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝተዋህበ መግለጺ ብተወሳኺ ሓቢሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8C%85%E1%89%A1%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%88%89%E1%88%B3%E1%8B%8A-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8B%98%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%88%9D\/4591545.html"} {"headline":"ኣከባብራ በዓል መስቀል","content":"በዓል መስቀል ሎሚ 27 መስከረም ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም መራሕቲ ሃይማኖት ክርስትናን ምስልምናን፡ላዕለዎት ሰበስልጣን ኤርትራ፡ዲፕሎማትን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጽኡ ሰባት ኣብ ዝተረኽብሉ ብዓብይ ሃይማኖታውን ባህላውን ኣገባብ ተኸቢሩ። በዓል መስቀል ንግስት እሌኒ እየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ መስቀል ንምርካብ ኩዕታ ዝጀመረትሉ መዓልቲ ንምዝካር ከምዝበዓል ካብ ቤ\/ጽ መንበር ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ ሓላፊ መንፈሳዊ ትምህርቲ መሪገታ ሰመረኣብ ኣፈወርቂ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም። ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጽኡ በጻሕቲ፡ በዓል መስቀል ሃይማኖታውን ባህላውን ትሕዝቶ ብዘለዎ ኣገባብ ብምብዓሉ ፍሉይ ተምሳጥ ከምዘሕደረሎም ክገልጹ ከለዉ፡ኣብቲ በዓል ዝተሳተፉ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን በጻሕቲ ብወገኖም ድሕሪ 20 ዓመታት ንበዓል መስቀል በሓባር ክኽብሩ ብምብቕዖም ዝተሰምዖም ሓጎስ ገሊጾም። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ በዓል መስቀል ኣብ ጎቦ ጮምዓ ከተማ መቐለ ከምኡ’ውን ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ትማሊ ምሸት ብድምቀት ተኸቢሩ። No media source currently available እቲ በዓል ኣብ ምብራቓዊ ኣንፈት መቐለ ካብ ዝርከብ ጎቦ ጮምዓ ነበርቲ ሽግ ወሊዖም ክወርዱ ከለዉ ዘርኢ ምስሊ ኣዚዩ ሰሓቢ ምዃኑ ተሳተፍቲ እቲ በዓል ይገልፁ። ብተመሳሳሊ ኣብ 27 ዓመታት ንመጀመርያ ጊዜ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኡን ዝርከባ 24 ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስትያን ብሓባር ብምኳን ትማሊ ምሸት ኣብዚ ዋሽንግተን ዲሲ በዓል መስቀል አኽቢረን። ምሉእ ጸብጻብ ኣከባብራ በዓል መስቀል ኣብ መቐለ፡ዓዲ ግራት፡ ኣስመራን ዋሽንግተን ዲሲን ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%AB-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%89%80%E1%88%8D\/4590237.html"} {"headline":"ኣምንስቲ ኣብ አዲስ አበባ ዝተኻየደ ናይ ጅምላ ማእሰርቲ ከምዘሻቐሎ ገሊጹ","content":"ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ዝተኻየደ ናይ ጅምላ ማእሰርቲ ከምዘሻቀሎ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ብተወሳኺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ከኽብር ጸዊዑ። ፈደራል ፖሊስ’ታ ሃገር ብወገኑ እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ናይ ጅምላ ማእሰርቲ ዘይኾነ ብገበን ዝተጠርጠሩ ተፈልዮም ዝተረፉ ዝፍትሕሉ መስርሕ’ዩ ኢሉ’ሎ። ኣብ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተመራማሪ ዝኾኑ ኣቶ ፈሰሃ ተኽለ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ትካሎም እቲ ኩነታት ማእሰርቲ ከምዘሻቀሎ ኣረጋጊጾም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B0-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8C%85%E1%88%9D%E1%88%8B-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%BB%E1%89%90%E1%88%8E-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4588414.html"} {"headline":"ጉባኤ ህወሓት 'ንህዝቢ ዝረብሕ ውሳነ ዝሓልፈሉ'ምበር፣ ካልእ ሸርሒ ዝስራሓሉ ንከይኾን' ኣቦ መንበር ህወሓት መጸዋዕታ ኣቕሪቦም","content":"መበል 13 ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) 'ህዝባዊነትና መሰረት ጽንዓትናን ህዳሴናን' ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ'ዩ ዝካየድ ዘሎ። ኣቦ መንበር ህወሓት ዶ\/ር ደብረጽየን ገ\/ሚካኤል ኣብ ዘስምዕዎ መደረ 'ድልየትን ሕቶን ህዝቢ ትግራይ ዝምልሱ ውሳነታት ክሓልፉ'ዮም ዝብል ትጽቢት ከምዘለዎም' ገሊጾም። 'በዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ'ዚ፣ ኣብ'ቲ ጉባኤ ዝተረኸብና ሕድ-ሕድና ንሕድሪ ስዋኣት ከየዕበርና ንህዝቢ ዝረብሕን ሓሳባትን ውሳነታትን ክነሐልፍ ዲና ወይስ ካልእ ሸርሒ ክንፍጽም?' ኢሎም ሓቲቶም። ጉባኤ ህወሓት ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንኣስታት ዕስራ ዓመታት ዝጸንሐ ዘይምቅድዳው ተፈቲሑ ናብ ንቡር ሰላም ምእታው ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን'ዩ ይካየድ ዘሎ። ኣብ'ቲ ስሩዕ ጉባኤ ናይ ደገፍ መልእኽቲ 3 ኣሓት ውድባት ኢህወዴግ፣ ንመራሒ ዓረና ትግራይ ሓዊሱ ወከልቲ ዝተፈላለዩ ተፎኻኸርቲ ፓርቲታት ኢትዮጵያ ከምኡውን ወከልቲ ኮምኒስት ፓርቲ ቻይናን ሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃን መልእኽቲ ኣቕሪቦም ኣለው። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/tplf-13th-congress-opens-in-mekelle-tigray\/4588436.html"} {"headline":"ኣብ አዲስ አበባን ከባቢኣን ንዝተፈጸሙ ተግባራት ሓሙሽተ ውድባት ፖለቲካ ኦሮሞ ኮኒኖም","content":"ኣብ አዲስ አበባን ከባቢኣን ሎሚ ቅነ ዝተፈጸሙ ተግባራት ኣብ ልዕሊ ህልውና ህዝቢ ኦሮሞ ዝተፈተኑ መጥቓዕትታት’ዮም ክብሉ ሓሙሽተ ውድባት ፖለቲካ ኦሮሞ ብሓባር ኮኒኖም። ፈጸምቲ’ውን ናብ ፍርዲ ክቀርቡ ሓቲቶም። ብካልእ ወገን እዚ ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ካብ ስምዒት ወጺእኻ ኣስተውዒልካ ምንቅስቃስ ዝሓትት’ዩ ክብሉ ክልተ ቀንዲ መራሕቲ ተቓዋሚ ፓርቲ ገሊጾም። ገለ ናይ ምንቅስቃስ ነገራት እንተሎ’ኳ ቀልጢፍካ ምላሽ ምሃብ ኣየድልን ክንብል ንኣባላትናን ደገፍትናን መምርሒ ሂብና ኣለና ክብሉ ኣቦ መንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ገሊጾም። ወሃቢ ቃል ግንቦት 7 እውን ብተመሳሳሊ መጸዋዕታ ኣቅሪቦም ኣለው። ሎሚ ረፋዲ ኣብ አዲስ አበባ ሓሙሽተ ውድባት ፖለቲካ ናይ ኦሮሞ ግንባር ነጻነት፡ናይ ኦሮሞ ፈደራላዊ ኮንግረስ፡ ዝተሓባበሩ ግንባር ነጻነት ኦሮሞ፡ ግንባር ሓድነት ኦሮሞ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ካብ መጀመርያ ወርሒ መስከረም ንነጀው አብ አዲስ አበባን ከባቢኣን ዝተፈጸሙ ተግባራት ገበን ኣውጊዞም። ኣብ ካልኦት ጉዳያት’ውን ሰፊሕ መብርሂ ሂቦም ኣለው። ኣብ ገለ ገለ ጉዳያት’ውን ሓባራዊ መርገጺኦም ገሊጾም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%8A%A3%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%99-%E1%89%B0%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%88%85%E1%88%8D%E1%8B%8D%E1%8A%93-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9E-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%89%B0%E1%8A%91-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-5-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%AE%E1%8A%92%E1%8A%96%E1%88%9D\/4586935.html"} {"headline":"ትንታነ ክልተ ምሁራት ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ትፅቢትን ጠመተን ጉባኤ መበል 13 ህውሓት","content":"ፅባሕ ረቡዕ ዝጅምር መበል 13 ጉባኤ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኢትዮጵያ ኣብ ፈታኒ እዋን ኣብ እትርከብሉ ዝካየድ ዘሎ ስለዝኾነን ብድሆ ለውጢ ንምምፃእ መንገዲ ስለዝህብን ከም ፅቡቕ ዕድል ይጠቅም እዩ ትብል ዶ\/ር ፀጋ ብርሃነ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህርን ተመራማሪትን ኣስትሮ ፊሲክስን ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ዳይረክተር ኢንስቲቱዩት ከባቢያዊ ሓለዋ፣ፆታን ልምዓትን።ዶ\/ር ፀጋ ብምውሳኽ ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ዝለዓለ ሓላፍነት ክንድቲ ዝግብአን ኣይመፃን ዘለዋ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ህውሓት ክንድቲ ዝድለ ስለዘሰርሓትሉ እዩ ትብል። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደብሩ ብዓል ስልጣን ኢኒስቲቱዩት ምርምር ልምዓት ኢትዮጵያ ክኢላን ብስነ ቁጠባ ናይ PhD ትምህርታ ኣብ ምክትታል ትርከብን ወ\/ሮ ሓንሳ ተኽላይ ብወገና እቲ ጉባኤ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጥረ ፅቡቕ ርክብን ብደረጃ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ፈተና ኣብ ግምት ኣእትዩ ክኸይድ ኣለዎ ትብል።ደቂ ኣንስትዮ ፍርቂ ሕብረተሰብ ኮይነን ኣብ ኣመራርሓ ግን 10፣15 ሚእታዊ ዘይምብፅሑ ዘተሓሳስብ ስለዝኾነ ካብ መሰረቱ ፀገማት ደቂ ኣንስትዮ ዝፈትሑ ፖሊስታትን ፕሮግራማት ክሕንፀፁ ኣለዎ ትብል። ክልቲአን ምሁራት ውድብ ህውሓት ምስ እዋኑ ዝተዓፃፀፉ መናእሰይ ናብ መሪሕነት ብምምፃእን ኣብ ቢሮክራሲ ድማ ብቕዓት መሰረት ዝገበረን ኩሉ ብዝኣምኖን ብዝሪኦን መምዘኒ እናተወዳደረ ዝምደበሉ ዕድል ብምፍጣር ፀገም ሰናይ ምሕደራ ንምፍታሕ ዝለዓል ቆላሕታ ክውሃቦ ኣለዎም ኢለን ኣለዋ። ንምሉእ ትሕዝቱኡ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/analysis-on-13-tplf-congress\/4586933.html"} {"headline":"ሃለዋቶም አባላት ስድራቤቶም ዘይፈልጡ ኢትዮጵያዊያን ሕጂ’ውን ዕረፍቲ ከምዘይረኸቡ ይዛረቡ","content":"ኢትዮጵያ ኣብ ቀዳሞት ኣዋርሕ ዓመተ 2018 ብኣሽሓት ዝቑጸሩ እሱራት ምፍትሓ ይዝከር።ይኹን ደአ እምበር ቅድሚ 24 ዓመታት ካብ ጎደናታት ዝተወስዱ ሰለስተ ኣሕዋትን ወዲ ሓወቦ ሃና ተሰማ ግን ሕጂ’ውን ደሃዮም ኣይተረኽበን። ስለዝኾነ ድማ እየን ሃናን ሓፍታን ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ንቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ድጋፍ ንምሃብ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ “ኣሕዋትና አብይ ኣለው?” ዝብል ጭርሖ ብምሓዝ ዝወጻ፡ ሃለዋት ኣሕዋተን ንምፍላጥ ካብ ዘለወን ክቱር ድልየት ድማ እየን ድሕሪ’ቲ ኣብቲ ሰልፊ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ቦምብ’ውን ኣብቲ ቦታ ምጽንሓን ይሕብራ። “ ብህይወት ንነብር የለናን ስለዚ ንምንታይ ንሕባእ?’ ዝበለት ሃና በዚ ድማ ንቀዳማይ ሚንስትር አብይ ኣሕመድ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ንምብዳህ ዝወሰነትሉ ምክንያት ምዃኑ ተረድእ። ይኹን ደአ እምበር ክሳብ ሕጂ ዋላ ሓደ ግብረ መልሲ ከምዘይረኸበት ኣይሓብኣትን። ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናብ መዝነት ካብ ዝመጹ ንደሓር ብዙሕ ለውጢ ኣታትዮም’ዮም። ገለ ካብኡ ምፍታሕ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ አባላት ተቓወምቲ ውድባትን ሓይልታት ጸጥታ’ታ ሃገር ኣብ ልዕሊ እሱራት ስቅያት ምፍጻሞም ብወግዒ ምእማንን ይርከብዎም። እዚ ግን ንሃናን ካልኦት ከምኣ ሃለዋት አባላት ቤተሰቦምን ዘይፈለጡ ኢትዮጵያዊያን ዕረፍቲ ኣይሃበን። “ስድራቤትና ፋሕ ፋሕ ኢሉ’ዩ? ንምንታይ ኢና ግን ንሳቐይ?” ክትብል ሃና ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ትገልጽ። ሓዋ ንሃና ምንሊክ ተሰማ ኣብ እዋን ማእሰርቲ ወዲ 19 ዓመት ዝነበረ ኽኸውን ከሎ አባል ተቓዋሚ ውድብ ናይ መላእ ኣምሓራ ምንቅስቃስ ምንባሩ ትሕብር። ኣብ 1994 ዓ.ም ኣብ ዝተካየደ ኣኼባ’ቲ ፓርቲ መደረ ድሕሪ ምስምዑ ሲቪል ክዳውንቲ ዝተኸደኑ አባላት ጸጥታ ንምንሊክን ወዲ ሓወብኡን ከምዝወሰድዎም፡ ሽዑ ምሸት ምእሳር ኣሕዋቶም ካብ ጎረባብቲ ዝሰምዑ ክልተ መናቱ ኣሕዋት ሃና ደሃይ ኣሕዋቶም ንምፍላጥ ናብ ከተማ ወጺኦም። እንተኾነ ንሶም’ውን ብሓይልታት ጸጥታ ተታሒዞም ናብ ቤቶም ኣይተመልሱን። ካብታ መዓልቲ ንደሓር ደሃይ እዞም ኣርባዕተ አባላት’ዚ ስድራ ኣይተረኽበን። ሃና ኣብ ሓደ እዋን ምስ ሓደ በዓል ስልጣን መንግስቲ ተራኺባ ዝርዝር ኩነታት ኣሕዋታ ድሕሪ ምርድኣ” መንግስትና ከምዚ ዓይነት ተግባር ኣይፍጽምን” ዝብል መልሲ ከምዝተወሃባ ትገልጽ። ኣብ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ተመራመሪ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾኑ ኣቶ ፍሰሃ ተኽለ አባላት ተቓወምቲ ውድባት አበይ ከምዘለው ከምዘይፍለጥ ምግባር ሓደ ካብ ፍሉይ ስትራቴጂ ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያ ኢህኣዲግ ከምዝነበረ ይገልጹ። ብርሃኑ እጅጉ ሲቪል ክዳውንቲ ብዝተኸድኑ አባላት ጸጥታ ኣብ 1994 እዩ ተወሲዱ። ኣዋርሕ ድሕሪኡ ሃለዋት ሓው ዝሓተተ ገበየሁ እጅጉ ሓው አሎ ኣብዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኸደ ዝረኸቦ ሰብ ግን ሓው ከምዘይኾነ ይገልጽ። ንሱ “ ሃለዋቶም አቦታቶም፡ አዴታቶም፡ ኣሕዋቶም፡ ፈተውቶምን አባላት ስድራቤቶም ዘይፈልጡ ብዙሓት ሰባት ኣለው። እዞም ሰባት ሃለዋቶም አባላት ስድራቤቶምን ፈተውቶምን ክፈልጡ ይግባእ” ይብል። ነዚ ብዝምልከት ኣቶ ፈሰሃ ተኽለ ቁጽሪ’ቶም ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ሰባት ብርግጽ ንምፍላጥ ከምዘጸገም የረድእ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብታ ሃገር ከይንቀሳቀሱ ተኸልኪሎም ዝነበሩ ከም ኦነግ ዝአመሰሉ ውድባት ቃልሶም ብሰላማዊ መንገዲ ንምክያድ ናብ ውሽጢ ሃገር ኣትዮም ኣለው። “መንግስቲ ብዛዕባ ይቕረ ምባል ይዛረብ ኣሎ ግን ሓቂ ቀዳምነት ክወሃቦ ኣለዎ” ይብል ኣቶ ፍሰሃ ተኽለ ተመራማሪ ኣብ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል። ካልእ ኣብ 1992 ብሓይልታት ጸጥታ ምስ ተወስደ ሓለዋቱ ክሳብ ሕጂ ዘይተፈልጠ በቀለ ዳውኖ ሄብኖ’ዩ። ወዱ ኤድዎ ደሃይ ኣብኡ ንምርኻብ ብተደጋጋሚ ካብ ኣሜሪካ ናብ ኢትዮጵያ እንተመላለሰ እኳ ደሃይ ወላዲኡ ክረኽብ ኣይከአለን። “ ኣብዚ ሕጂ እዋን ስድራይ ኣብ መንጎ ሞትን ህይወትን እዮም።” ስለዚ ይብል ንሱ እዚ ኩነታት ዝቕየር እቲ ሓቂ ምስ ዝፍለጥ ጥራይ ምዃኑ ይገልጽ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%88%88%E1%8B%8B%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%B5%E1%8B%B5%E1%88%AB%E1%89%A4%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8D%88%E1%88%8D%E1%8C%A2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%95%E1%8C%82-%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8B%95%E1%88%A8%E1%8D%8D%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%8A%B8%E1%89%A1-%E1%8B%AD%E1%8B%9B%E1%88%A8%E1%89%A1\/4586764.html"} {"headline":"አዲስ ኣበባ፡ ምስ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ዕግርግር ብዝተሓሓዝ 174 ጥርጡራት ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራቦም ፖሊስ ሓቢሩ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሰንኪ ዝነበረ ዕግርግር 28 ሰባት ከምዝሞቱ ፖሊስ ገሊፁ።ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝእተዎም 174 ተጠርጠርቲ ድማ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቕርቦም ካልኦት 1,204 ሰባት ድማ ንስልጠና ናብ ማእኸል መሰልጠኒ ጦላይ ከምዝልኣኾም ኣፍሊጡ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ምስቃል ባንዴራን ካልኦት ምንቅስቓሳትን ተኣሳሲሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ከቢድ ጉድኣት ከምዘወረደ ኮሚሽነር ደግፌ በዲ ሓቢሮም። “ኣብ ኣዲስ ኣበባ ህይወት ኣስታት 28 ሰባት ጠፊኡ’ሎ።ብክፍለ ከተማ ክንዝርዝሮ ከለና ኣብ ኣዲስ ከተማ 5፣ኣራዳ 2፣ኮልፌ 14፣ንፋስ ስልኪ 3፣ጨርቆ 5 ሰባት ሞይቶም።” እዚ ኣሃዝ ናይ ቡራዩን ካልኦት ከባቢታትን ከምዘይሓውስ እውን ሓቢሮም። ኣብ ህውከትን ናይ ጎደና ዕግርግርን ዝተዋፈሩ ተባሂሎም ዝጥርጠሩ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ከምዝኣተውን ዝበዝሑ ጉዳዮም አጻርዩ ነጻ ከምተለቑን እቶም ኮሚሽነር ወሲኾም ኣብሪሆም። “ኣብቲ ህውከት ብቐጥታ ዝተሳተፉ 1,204 ሰባት ንመአረሚ ናብ ማእኸል መሰልጠኒ ጦላይ ኣትዮም ክምሃሩን ሕጊ ኣኽበርቲ ዜጋ ንክኾኑ ፕሮግራም ሒዝና ናብኡ ወሲድናዮም ኣለና።ኣብ 10 ክፍለ ከተማታት እምኒ ዝደርበዩ፣ንሰባት ዝጎድኡ ተጠርጢሮም ዝተትሓዙ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ዘለዎም 174 ሰባት ኣለው።ናይዚኦም ጉዳይ ብቤት ፍርዲ ዝውዳእ እዩ።” ብዝሖም ብንፁር ዘይተፈልጠ ዝቖሰሉ ፈቖዶ ሆስፒታል ከምዝርከቡ እውን ወሲኾም ሓቢሮም።ኣብ ልዕሊ ንብረት ዝወረደ ዕንወት ክገልፁ ከለው ህንፃታት መሳኹቶም ከምዝዓነወን ኣብያተ ባንኪ ንምዝራፍ ፈተነ ተገይሩ መሳኹቲ ከምዝዓነው ገሊፆም። “ናይ ንግዲ ስርዓት ተዛቢዑ ብዙሓት ብንግዲ ዝመሓደሩ ሹቖም ንሰለስተ መዓልታት ተዓፅዩ እዩ ነይሩ።ኣብ ልዕሊ ቁጠባ ዝለዓለ ጉድኣት ወሪዱ’ሎ።” ፖሊስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንመናእሰይ ይሓፍስ ኣሎ ንዝብል ሕቶ ብዘይሕጋዊ ሰልፍን ናይ ጎደና ናዕብን ዝለዓለ በዝሒ ዘለዎም ብዕስለ ህውከት ከምዘልዓሉን ኣብ ልዕሊ ፖሊስ እምኒ እናደርበየ ጉድኣት ዘወረዱን እዮም፤ምሕፋስ ኣይኮነን ኢሎም። ናይቲ ግጭት መንቀሊ ባንዴራ ምስቃልን ቀለም ምልኻይን ምንባሩ ዝሓበሩ ኮሚሽነር ደግፌ ፖሊስ ጥፍኣት ከይወርድ ዓብይ ጥንቃቐ ከምዝገበረ ሓቢሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%88%88%E1%8B%B0-%E1%88%B0%E1%88%99%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88-%E1%8B%95%E1%8C%8D%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%88%AD-28-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/4585180.html"} {"headline":"ቀውሲ ስደተኛታት ፈረንሳ ናብ ጎደናታት ይውሕዝ ምህላው ከምዘሻቐሎም ዘይመንግስታዊ ትካላት ሓቢሮም","content":"ኣብ ከተማ ፓሪስ ፈረንሳ ዝርከቡ ዘይመንግስታዊ ትካላት ቀውሲ ስደተኛታት’ታ ሃገር ናብ ጎደናታት’ታ ከተማ ይውሕዝ ብምህላው ዘለዎም ሻቅሎት ሓቢሮም። ኣብ ካልያን ሰሜናዊ ክፋል ፈረንሳ ዝርከቡ መዓስከር ስደተኛታት ዝሓለፈ ዓመታት ድሕሪ ምዕጻዎም ዝበዝሑ ካብቶም ኣብዘን መዓስከር ዝነበሩ ስደተኛታት ናብ ዓበይቲ ከተማታት’ታ ሃገር ምግዓዞም ይፍለጥ። ተረ ደ ኣስሊ ናይ ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል ዳይሬክተር ፔር ኤንሪ “ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ጎደናታት ዝነብሩ ውሑዳት ሰባት ኔሮም፡ ሕጂ ግን እታ ቁጽሪ ብጣዕሚ ብዙሕ እዩ። እዚ ክትቕበሎ’ውን ዘጸግም’ዩ” ይብል። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ድማ እቲ ኩነታት ዝያዳ ምግዳዱ ይግለጽ ኣሎ እንተኾነ ካብ መንግስቲ ዝተዋህበ ግብረ መልሲ የለን። “ ኣብዚ ሕጂ እዋን ጉዳይ ቀውሲ ዋሕዚ ስደተኛታት ሓሊፍናዮ ኢና። ንኣብነት ጀርመን 1.5 ሚልዮን ስደተኛታት ተቐቢላ’ያ ግን ኣብ ጎደናታት’ታ ሃገር ዝነብሩ ስደተኛታት የለውን። ኣብዚ ግን 100,000 ዝኾኑ ኢና ተቐቢልና እቶም ኣብ መዓስከር ዝነብሩ ድማ ውሑዳት ብኣማኢት ዝቑጸሩ እዮም። ኩነታት እቶም ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዝነብሩ ብጣዕሚ ኣተሓሳሰቢ’ዩ ዘሎ” ኢሎም። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ስደተኛታት ዘሎ ውጥረት ብዙሓት ዘይመንግስታዊ ትካላት ሓገዝ ምሃብ ኣቋሪጾም’ዮም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ስደተኛታት ካብ ወለንተኛታት ሓገዝ ወሃብቲ ጥራይ ሓገዝ ይረኽቡ ምህላዎም ይግለጽ ኣሎ። መብዛሕትኦም ስደተኛታት ክልለዩ ኣይደልዩን እዮም ስለዚ ናብ ካሜራ ቐሪቦም ርእይትኦም ክህቡ ፍቓደተኛታት ኣይኮኑን። ምሕረትኣብ ኤርትራዊ ስደተኛ ኮይኑ ናብ ፈረንሳ ካብ ዝመጽእ 10 መዓልታት ኣቑጺሩ’ሎ። “ መብዛሕትኦም መሓዙተይ ኣብዚ ኣለው። ካብ ኤርትራ፡ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝመጹ እዮም” ይብል። ፈረንሳ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ክትቕበሎ ዘሎ ተኽእሎ ትሑት እዩ ስለዚ ነዚ ቦታ ለቒቑ ምኻዱ ዘይተርፍ እዩ። መንግስቲ ፈረንሳ ቁጽሪ ንስደተኛታት ዝወሃብ ኣባይቲ እንተወሰኸ’ኳ ቁጽሪ ኣብ ጎደናታት ዝነብሩ ስደተኛታት ግን ሕጂ’ውን ልዑል እዩ። ስለዝኾነ ድማ ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቀሱ ዘይመንግስታዊ ትካላት ሓደ ዓይነት ዝኾነ ናይ ዑቕባ መስርሕ ኣብ መላእ ኣውሮጳ ክሳብ ዘይተኣታተወ ከምዚ ዓይነት ጸገም ከምዝቕጽል ይገልጹ ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80%E1%8B%8D%E1%88%B2-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8D%88%E1%88%A8%E1%8A%95%E1%88%B3-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8C%8E%E1%8B%B0%E1%8A%93%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8B%8D%E1%88%95%E1%8B%9D-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8B%98%E1%88%BB%E1%89%90%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/4585051.html"} {"headline":"ቂሔ-ጽልሚ፡- መጽሓፍ-`ጽባሕ` ካብ ኣስመራ፡ ድምጻዊት ራሄል ሃይለ ካብ ሆላንድ፡ መደብ ሓገዝ ንበያን ኣሕመድኑር ካብ ዋሺንግተን ዲሲ","content":"ተስፋሂወት ገብረሂወት ብ1978 ኣብ እንድሕሽ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ ተወልዱ። ኣባል ሻዱሻይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተስፋሂወት፡ እኹል ናይ ትምህርቲ ዕድል እኳ እንተዘይረኸበ ዝተፈላለዩ መጻሕፍቲ ናይ ምንባብ ዝንባለኡ ንናይ ምጽሓፍ ዓቕሙ ክብ ከብሎ ሓጊዝዎ`ዩ ይብሉ ናይ ቀረባ ብጾቱ። “ብዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ቆልዑን ተስፋሂወት ብዕለት 12 ሰነ 2016 ኣብ ከባቢ ጸሮና(ኣኽራን) ተሰዊኡ”. ብህይወት ከሎ ዝጽሕፎ ዝነበረ ግጥምታትን መዘከርታትን `ጽባሕ` ብዝብል ተጠርኒፉ ብሓዉ ሓጎስ ገብርሂወት ክሕተም ክኢሉ`ሎ፡ ብዛዕባ ሰላም “ሕጂ ግርም” ዝብል ዜማ ዘውጽአት ራሄል ሃይለ ካብ ኢትዮጵያ ኣብ መገሻ ካብ ሆላንድ ኣዘራሪብናያ ኣለና፡ ከምኡ`ውን ኣብ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ ንሓገዝ በያን ኣሕመድኑር ዝተዳለወ ምሸትን ኣብ ናይ ሎሚ ቂሔ ጽልሚ ተኻቲቱ`ሎ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/4582152.html"} {"headline":"ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ይምዕብል ንዘሎ ክስተት ንኢዱ","content":"ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣብ መንጎ ናይ ኤርትራ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድን 16 መስከረም 2018 ኣ\/ፈ ኣብ ጂዳ ዝተፈራረምዎ ስምምዕ ሰላም፣ምሕዝነትን ሓፈሻዊ ምትሕብባርን ብሓጎስ ከምዝተቐበሉዎ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ሓቢሮም። ናይ ስዑዲ ዓረብ ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ ኣል ሳውድ ንዝተፃወቱዎ ታራ እውን ናእድኦም ገሊፆም ኣለው።ክልቲአን ሃገራት ሓድሽ ዘመን ሰላም፣ምሕዝነትን ሓፈሻዊ ምትሕብባራትን ከምኡ እውን ንዞባዊ ሰላምን ፀጥታን ንምስራሕ ዘለወን ድልውነት ንኢዱ’ሎ። ካብዚ ብተወሳኺ ፕሬዝዳንትታ ጅቡቲን ኤርትራን ኣብ ጂዳ ምርኻቦም ኣብ ርክባት ክልቲአን ሃገራት ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፍት ከምዝኸውን ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ተስፍኦም ገሊፆም ኣለው።ክልቲአን ሃገራት ትርጉም ዘለዎ ልዝብ ንምምፃእ ፅምድአን ክቕፅላ ኣተባቢዖም ኣለው። ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣብ ፃዕርታተን ንናይቲ ዞባ ሃገራት ንምሕጋዝ ቅሩብ ምዃኖም ሓቢሮም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/security-council-welcomes-the-developments-in-the-horn-of-africa\/4582126.html"} {"headline":"ኣዲስ ኣበባ፣ኣሸዋ ሜዳን ቡራዩን ዝተቐትሉ 58 ሰባት ምዃኖም ኣምነስቲ ገሊፁ","content":"ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ኣሸዋ ሜዳ፣ቡራዮን ዝተባህሉ ከባቢታት ዝተቐትሉ በዝሒ ሰባት 58 ምዃኖም ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኣፍሊጡ። ፌደራል ፖሊስ ብወገኑ ዛጊድ ካብ ሆስፒታላት ዝተኣከበ መረዳእታ ኣብ ኢዱ ከምዘይበፅሐ ብምግላፅ እቲ በዝሒ ኣምነስቲ ዝገለፆ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊፁ’ሎ። ዝቖሰሉ ሰባት ድማ 300 ከምዝበፅሕ ፌደራል ፖሊስ ኣፍሊጡ።ብቕትለትን ግጭት ብምልዕዓልን ዝተጠርጠሩ ሰባት ካብ ቡራዩን ኣዲስ ኣበባን ኣብ ቁፅፅር ምውዓሎም ኮሚሽነር ዘይኑ ጀማል ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ተዛሪቦም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/killings-in-addis-ababa-and-environs\/4582109.html"} {"headline":"ጉባኤ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኦሮሞ ተዛዚሙ","content":" ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኦሮሞ\/ኦዲፓ\/ ኣብ ከተማ ጅማ ከካይዶ ዝቐነይ 9ይ ጉባኤኡ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ብምሕላፍን ሓድሽ ኣመራርሓ ብምምራፅን ኣኼብኡ ዛዚሙ። 81 ዝነበረ በዝሒ ማእኸላይ ኮምቴ ናብ 55 ምውራዱን ካብቶም 81 ኣባላት 19 ጥራሕ ከምዝተፀርሑን ካብኦም 16 ኣባላት ጥራሕ ኣብዚ ሓድሽ ማእኸላይ ኪምቴ ከምዝተመረፁን ተፈሊጡ’ሎ። በዚ መሰረት ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣቦ ወንበር ኣቶ ለማ መገርሳ ድማ ምኽትል ኣቦ ወንበር ካብ ናይ ኦሮሞ ህዝቢ ዴሞክራሲያዊ ውድብ\/ኦህዴው\/ ናብ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኦሮሞ ዝተቐየረን ፓርቲ ኮይኖም ተመሪፆም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/oromo-democratic-party-conlcuded-it-assembly\/4582102.html"} {"headline":"ኤርትራዊ ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ ኣብ መበል 84 ዓመት ዕድሚኦም ንእምባ ኬንያ ይድይቡ","content":"ኤርትራዊ ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ ዶ\/ር ናይዝጊ ገበረመድህን ኣብ መበል 84 ዓመቶም ኣብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ, 2018 ን5000 ሜትር ብራኸ ዘለዎ እምባ ኬንያ ብምድያብ ናይ መጀመርያ ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ ነቲ እንባ ዝደየቡ ምኳኖም ተገሊጹ’ሎ። ዶ\/ር ናይዝጊ ነዚ እምባታት ናይ ምድያብ ልምዲ ወዲ 25 ዓመት ከለው ንእምባ ኪሎማንጃሮ ብምድያብ ከምዝጀመርዎ ይገልጹ። ንኪሎማንጃሮ ኣርባዕተ ጊዜ ነዚ ሎሚ ኣብ መበል 84 ዓመቶም ዝደየብዎ እምባ ኬንያ ድማ ንመበል 13 ጊዜ ይድይብዎ ከምዘለው ይገልጹ። ዶ\/ር ናይዝጊ ኣብ 1930ታት ወለዶም ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ተሰደዱ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዶም ዝዓበዩ ክኮኑ ከለው ኣብ 1957 ዓ.ም ምስ ሸሞንተ ኢትዮጵያዊያን ብምዃን ናብ ኣሜሪካ ብምኻድ ትምህርቲ ምህንድስና ምምሃሮምን ካብኡ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም ክሳብ ደርግ ናብ ስልጣን ዝመጽእ ብሞያ መምህርነት ከምዘገልገሉ ካብኡ ግን ናብ ኬንያ ብምስዳድ ንነዊሕ እዋን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሕቡራት ሃገራት ዝሰርሑ ኽኮኑ ከለው ኣብ 1994 ድማ ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ኣብ ምዕቓብ ከባቢን ኣብ መጽናዕቲ ስነ ጥንታዊ ህንጻታት ኣስመራ ን11 ዓመታት ኣገልጊሎም እዮም። ዶ\/ር ናይዝጊ ንመጀመርያ ጊዜ ንእምባ ኪሎማንጃሮ ብከመይን ከምዝደየብዎ ብምግላጽ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ዘካየድዎ ዕላል ይጅምሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%95%E1%8B%B5%E1%88%98-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8C%B8%E1%8C%8B-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%89%A0%E1%88%8D-84-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%8B%95%E1%8B%B5%E1%88%9A%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%9D%E1%89%A3-%E1%8A%AC%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%8B%AD%E1%8B%B5%E1%8B%AD%E1%89%A1\/4580318.html"} {"headline":"መበል 13 ጉባኤ ህውሓት ዝቕፅል ሰሙን ክካየድ እዩ","content":"መበል 13 ጉባኤ ህውሓት ዝቕፅል ሰሙን 16 መስከረም 2011 ዓ\/ም ኣብ ከተማ መቐለ ክካየድ እዩ። ኣብቲ 1,300 ብድምፅን 350 ብዘይድምፅን ዕዱማት ዝርከብሉ ዝተባህለ ጉባኤ ኣብ መበል 12 ጉባኤ ዝተወሰኑ ውሳነታትን ፍፃመታትን እውን ከምዝርእይ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ህውሓትን ኢህወዴግን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህውሓት ኣቶ ኣለም ገብረዋህድ ገሊፆም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%A0%E1%88%8D-13-%E1%8C%89%E1%89%A3%E1%8A%A4-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%95%E1%8D%85%E1%88%8D-%E1%88%B0%E1%88%99%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8A%A5%E1%8B%A9\/4580396.html"} {"headline":"ኣብ አዲስ አበባ ከባቢኣን ዝተፈጥሩ ግጭታት ነጸብራቕ ብዙሓት ሕልኽላኽ ጸገማት’ዮም ክብሉ ገለ መራሕቲ ፖለቲካን ማሕበረሰብ ሓቢሮም","content":"ሓደ ሓደ መራሕቲ ፖለቲካን ማሕበረሰብን ኣብ ቀረባ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኡን ዝተፈጥሩ ዘሕዝኑ ተግባራት ነፀብራቕ ብዙሓት ሕልኽላኽ ፀገማት እዮም ኢሎም። ነዚ ዝገለፁ ካብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ፣ ቡራዩን ኣርባ ምንጭን ብዝተፈጥሩ ግጭታት ምኽንያት ብምግባር ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ሰለስተ ፍሉጣት ኢትዮጵያዊያን እዮም ።ናይ ቀደም ሓድነት ንዴሞክራስን ፍትሕን ፓርቲ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ዝነበሩ ኣቶ ኣንዱኣለም ኣራጌ፣ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ ከምኡ እውን ኣባል ኮሚቴ ደላይ ፍትሒ ፀገማት ሙስሊም ኢትዮጵያዊያን ኣቶ ኣሕመድን ጀበል እዮም። ንሶም ብተወሳኺ መንግስቲ ድሕነት ዜጋታቱ ኣብ ምሕላው ዝበለፀ ክሰርሕ ዘለዎ እንተኾነ እውን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምኽባር ዓብይ ጥንቃቐ ከግብር ኣለዎ ኢሎም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%8A%A3%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%A9-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%90%E1%8C%B8%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%89%95-%E1%89%A5%E1%8B%99%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%88%8D%E1%8A%BD%E1%88%8B%E1%8A%BD-%E1%8C%B8%E1%8C%88%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8C%88%E1%88%88-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB%E1%8A%95-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/4578608.html"} {"headline":"መንግስቲ ኤርትራ ሰለስተ ስጉምታት ንክወስድ ፍልይቲ ራፖርተር ሕ\/ሃ ጸዊዔን","content":"‘ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ውዕል ሰላም ምኽታሙ፣ ኣብ ኤርትራ ኩሎም ሰብኣዊ መሰላት ናብ ዝኽበረሉ መስርሕ ንክትኣቱ ባይታ ከጣጥሕ’ዩ ዝብል ተስፋ ከምዝሃበ ፍሉይ ራፖርተር ሕ\/ሃ ገሊጸን። ሸይላ ኪቱሪት ኣብ መግለጺኤን ‘ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 17 ዓመታት መንግስቲ ኤርትራ ነታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቑጽጽር ከምዘእተዋ፣ ህዝባዊ ክትዕን ሱታፌን ዓንቂፉ። ንኩነተ ኤርትራ ዝምልከት ክልተ መጻሕፍቲ ዝደረሰን ሚኒስትር ፋይናንስ ዝነበረን ኣብ ኣስመራ ትማሊ ሶኒ ከምዝተኣሰረ ፈሊጠ ኣለኹ። ሓቂ እንተኾይኑ ኤርትራ ካብደገ ትራኣየሉ ቁመና ኣብ ውሽጣ ዘይንጸባረቐላ ሃገር ከምዝኾነት ዝሕብር’ዩ ብሕልፊ ኣብ ዕቀባ መሰረታዊ መሰላትን ነጻነትን’ ኢለን። ‘ናጻ፣ ፍትሓዊን ዴሞክራሲያዊን ማሕበረ-ሰብ ኣብ ምህናጽ ሙሉእ ዘቤታዊ ለውጢ ኣገዳሲ’ዩ። መንግስቲ ኤርትራ ንሰለስቲ ስጉምቲታት ብቕጽበት ክወስድ ትጽቢት ይግበሮ’ እውን ይብላ። ቀዳማይ፣ ኣባላት ቤተ ሰቦም ዝሞትዎም ኤርትራዊያን ዕጻ’ቶም ዝፈትዎም ክንገሮም ይግባእ። ካልኣይ፣ ዘይተተግበረ ሕገ መንግስቲ ኤርትራ ንክትግበር። ሳልሳይ፣ ኣይሰላም ኣይኹናት ምስ ኢትዮጵያ ስለዘብቀዐ፣ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ዛጊድ ዘይተመልመሉ ኣይትምልመሉን ክብሎም፣ ነቶም ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘለው ድማ መደብ ምጥያሽ ከይደንጎየ ክሕብሮም ይግባእ ኢለን ኣለዋ ሸይላ ኪቱሪት።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/special-rapporteur-unhrc-callls-the-eritrean-governemnt-fot-reform\/4577178.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ጥንቃቀ ንምግባር ንጽባሕ ረቡዕ ቤት ጽሕፈቱ ዕጽው ምዃኑ ሓቢሩ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ጥንቃቀ ንምግባር ንጽባሕ ረቡዕ 19 መስከረም ቤት ጽሕፈቱ ዕጽው ምዃኑ ሓቢሩ። እቲ ኤምባሲ ነዚ ዘፍለጠ አብ አዲስ አበባ ክግበር ትጽቢት ዝግበሮ ሰልፊ ምዃኑ’ውን ገሊጹ’ሎ። ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መግለጺኡ ንጽባሕ ረቡዕ ቆጸራ ተዋሂቡ ዝነበረ ንዜጋታት ኣሜሪካ ዝወሃብ ኣገልግሎትን ኹሉ ኣገልግሎት ቪዛን ከምዝተሰረዘ አፍሊጡ’ሎ። ዜጋታት ኣሜሪካ ናብ ዓምዲ ኢንተርነት እቲ ኤምባሲ ብምእታው ሓድሽ መመልከቲ ከእትው’ውን ሓቢሩ። ንናይ ኢምግራት ቪዛ ሓተቲ ድማ ዳግማይ ቆጸራ ክሕዙን ተወሳኺ ሓበሬታ ከምዝወሃቦምን ኢምግራንት ቪዛ ዘይኾነ ሓተቲ ቪዛ ግን ሓድሽ ቆጸራ ክሕዙ ከምዘለዎም ገሊጹ። ህጹጽ ሓገዝ ንዘድልዮም ኣሜሪካዊያን ንመን ክሓቱ ከምዝኽእሉ ንምፍላጥ ናብ ዓምዲ ኢንተርነት’ቲ ኤምባሲ ክከታተሉ’ውን መኺሩ’ሎ። ኣብ አዲስ አበባ ዝርከብ ማእከል ኣሜሪካን ማእከል ማእከል ሓበሬታን ምርምርን ስታችሞን ድማ ጽባሕ ዕጽው ምኳኑ መግለጺ’ቲ ኤምባሲ ይሕብር። ኤምባሲ ኣሜሪካ አብ አዲስ አበባ ብተወሳኺ ኣብቲ ሰልፊ ንዝሳተፉ ወገናት ድልየቶም ብሰላማዊ መንገዲ ክገልጹ መኺሩ ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8C%A5%E1%8A%95%E1%89%83%E1%89%80-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%8A%95%E1%8C%BD%E1%89%A3%E1%88%95-%E1%88%A8%E1%89%A1%E1%8B%95-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8C%BD%E1%88%95%E1%8D%88%E1%89%B1-%E1%8B%95%E1%8C%BD%E1%8B%8D-%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%91-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/4577168.html"} {"headline":"ግንባር ሓርነት ኦጋዴንን መንግስቲ ኢትዮጵያን ብሓባር ንምስራሕ ተሰማሚዖም","content":"ግንባር ሓርነት ኦጋዴንን መንግስቲ ኢትዮጵያን ሎሚ ኣብ ኣስመራ ተራኺቦም ብሓባር ንምስራሕ ተሰማሚዖም። ሓሙሽተ ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ምስ ሸሞንተ ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ ልኡኽ ሎሚ ኣብ ኣስመራ ኤርትራ ድሕሪ ምዝርራብ፡ ዕጥቆም ኣውሪዶም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሰላማዊ ቃልሲ ክጽንበሩ ወሲኖም ኣለዉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%88%93%E1%88%AD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A6%E1%8C%8B%E1%8B%B4%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%93%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%88%9B%E1%88%9A%E1%8B%96%E1%88%9D\/4577094.html"} {"headline":"“ኣብ መንእሰይ ዝውዕል ኢንቨስትመንት ውሕስነት መፃኢ ወለዶ እዩ”መሊንዳ ጌትስን","content":"Bill and Melinda Gates Foundation ናይ ቢሊን መሊንዳ ጌትስን ጎልኪፐርስ ሪፖርት 2018 ፀብፃቡ ኣውፂኡ’ሎ።ብዛዕባ እቲ ሪፖርት መብርሂ ዝሃባ መሊንዳ ጌትስ ኣብ መንእሰይ ዝውዕል ኢንቨስትመንት ውሕስነት መፃኢ ወለዶ እዩ ኢለን ኣለዋ። ኣፍሪቃ ብበዝሒ መንእሰይ ወለዶ ብቕልጡፍ ትውንጨፍ ዘላ ክፍለ ዓለም እያ።ኣብ ዓለም ብድኽነት ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ 10 ሃገራት እውን ኣብ ኣፍሪቃ ይርከባ።እዚ ተዃስሓይ ድርብ ክስተት ኣፍሪቃ ካብ ዓለም ዝለዓለ ቀዳምነት ክውሃባ ዝድርኽ እዩ። The Bill and Melinda Gates Foundation ሎሚ ሶሉስ ኣብ ዘውጽኦ ሪፖርት ኣፍሪቃ ኣብ ሓደ እዋን ንቻይናን ህንድን ካብ ድኽነት ብምውፃእ ማእኸላይ እቶት ዘለወን ሃገራት ክኾና ዝገበረ ኢንቨስትመንት የድልያ ይብል።ኣብ 2030 ብሕቡራት ሃገራት ዝተቐመጠ ሸቶታት ልምዓት ንምዕዋት ማለት እዩ። “60 ሚእታዊት ኣፍሪቃዊያን ትሕቲ 24 ዓመት እዮም።”መሊንዳ ጌትስ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበርኦ ናይ ቴሌፎን ቃለ ምልልስ ዓለም ኣብ ጥዕና፣ኣመጋግባን ትምህርትን ግቡእ ኢንቨስትመንት እንተመዊላ እዚ ተኣምራዊ ወለዶ ፍልጠትን ምህዞን ተጠቒሙ ንሕብረተሰቡን ሃገራቱን ከልዕል ተኽእሎ ኣለዎ ኢለን። እቲ ፀብፃብ ከምዝሓበሮ በዝሒ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ኣፍሪቃ ይውንጨፍ እዩ ዘሎ።ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም ብኣንፃሩ እናወረደ ይርከብ።ንኣብነት ኣብ ኣፍሪቃ ማእኸላይ ዕድመ 19 ክኸውን ከሎ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ 35 እዩ። ካብ ዓለም ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ ድኻ 10 ሃገራት ቤኒን፣ብሩንዲ፣ማእኸላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃ፣ዴሞክራሲያዊ ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ማዳጋስካር፣ማላዊ፣ናይጀሪያ፣ሶማል፣ደቡብ ሱዳንን ዛምቢያን እውን ኣብ ኣፍሪቃ ይርከባ። መሊንዳ ጌትስ ፋውንደሽነን ጠቐምቲ ፕሮጀክትታትን ፕሮግራማትን ኣብ ምስላጥ ከምዝሕግዝ ከምዚ ክብላ ይገልፃ። “ኣብ ባይታ ምስ ብዙሓት መሻርኽቲ ኢና ንሰርሕ።ገለ ሳዕቤን ከምፅእ ዝኽል ነገር ክንሰርሕ ንኽእል ኢና፤ብቐንድነት ዝሰርሕዎ ግን መንግስታት እዮም፤እዚ ስራሕ ኣብ ዙሪያ ዓለም ምስ ዝርከቡ ብዙሓት ሰባት ብምዃን ብዓሚቕ ሽርክና ኢና ንፍፅሞ።” ኣብ ኣፍሪቃ ረድኤት ገንዘብ ካብ ዝልግሱ ትካላት ፎርድ፣ሮከፈለር፣ኮናርድ ሂልተን፣ካርነጂን ኦፕን ሶሳይቲን ብዝበለፅ ጌት ፋውንደሽን ዝዓበየ ሓገዝ ይልግስ። ብመሰረት እቲ ፀብፃብ ጌት ፋውንደሽን ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 15 ቢሊዮን ዶላር ወፃኢ ብምግባር ንኣፍሪቃ ትርጉም ኣብ ዘለዎም ፕሮጀክትታት ሓጊዙ እዩ ።ኣብ ሰለስተ ዓውድታት ማለት ኣብ ጥዕና፣ትምህርትን ሕርሻን ድማ ተወሳኺ ንምሕጋዝ ቃል ኣትዩ። ብመዳይ ጥዕና እቲ ፋውንደሽን ካብ ክታበትን ኣመጋግባን ህፃናት ክሳብ ፕሮግራማት ሓገዝ ጥዕና ይዋሳእ።ብፍላይ ግን ኣብ ምጣነ ስዳድራን HIVን ፍሉይ ኣቓልቦ ይህብ። ብቑጠባ ይግስግሳ ዘለዋ ሃገራት ደቂ ኣንስትዮ ብወለንትአን ናይ ወሊድ መቆፃፀር መድሓኒት ተጠቀምቲ ክኾና ኣገልግሎት የቕርባ እየን ይብላ መሊንዳ ጌትስ። “ኩለን ሃገራት ብወለንትአን መድሓኒት መቆፃፀሪ ወሊድ ንደቂ ኣንስትዮ የቕርባ።ሰብኡትን ደቂ ኣንስትዮን ኣረሓሒቖም እንተወሊዶም እቶም ቆልዑት ካብ ስድርኦም ዝሓሸ ዕድላት ይህልዎም።ኣዋልድ ትምህርተን ይከታተላ፤እንተተማሂረን ድማ ንስድርአን ብዝበለፀ ይጠቕማ።ዕድላት ስራሕ ይፈጠሩ።” መንግስቲ ኣሜሪካ ምስ ውጥን ስድራ ንዝተኣሳሰሩ ሓገዛት ኣብ ምሃብ ኣብ ዓለም ኣብ ቅድሚት ይስራዕ ብመሰረት ኣብ ጉዳያት ጥዕና ኣሜሪካ ዝነጥፍ ከይዛር ፋሚሊ ፋውንደሽን። ኣሜሪካ ኣብ 2018 ዓ.ም 608 ሚሊዮን ዶላር ሓጊዛ’ላ።ምምሕዳር ትራሞፕ ግን ኣብ ዝቕፅል ዓመት 2019 ክንኪ እዩ ኢሉ’ሎ። እቲ ሪፖርት ሩዋንዳ ዕዉት ስርዓተ ጥዕና ብምህናፃ ንኢዱዋ’ሎ።ሞት ህፃናት ኣዚዩ ኣንቆልቂሉ።ኣብ 2005 ዓ.ም ካብ 1,000 ህፃናት 103 ይሞቱ ነይሮም ድሕሪ 10 ዓመታት ግን ናብ 50 ወሪዱ’ሎ። ብመዳይ HIV እውን ዚምባብቤ ፅቡቕ ምዕባለ ኣመዝጊባ ኣላ።ካብ 2010 ዝርግሐ HIV ብ49 ሚእታዊት ክንኪ ከሎ ምስ AIDS ብዝተኣሳሰረ ዝበፅሕ ዝነበረ ሞት ድማ ብ45 ሚእታዊት ነኪዩ’ሎ።ይንህር ምስ ዘሎ በዝሒ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ግምት ብምእታው HIV\/AIDS ንምቁፅፃር ኣብ ሕክምናን ምክልኻል ሓገዝ ክቕፅል ኣለዎ ይብል። ፀብፃብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መዳይ ሽፋን ትምህርቲ ምምሕያሻት ከምዘሎ ይሕበር፤ኣብ ፅፈት ግን ክስራሕ ኣለዎ ይብላ መሊንዳ። “ብመዳይ ትምህርቲ ቆልዑት ክምሃሩ ዓለም ቅድም ክብል ዘቐመጠቶ ሸቶ ተዓዊቱ’ሎ።እንተኾነ ግን ከምቲ ቪየትናም ዘዐወተቶ ፅፈት ትምህርቲ ኣብ ምርግጋፅ ክንሰርሕ ኣለና።” ሃገራት ኣብ ዘፈር ሕርሻ ኢንቨስት ክገብራ ኣለወን ዝበላ መለንዳ ጋና ከም ፅቡቕ ኣብነት ተጠቒሳ’ላ።ሎሚ ብዘሎ ኣፍራይነት ንኣብነት ኣብ ማሸላ ባሕሪ ዝተኻየደ ናይ ምድቓልን ናይ ሕርሻ ፈጠራን መጠን ድኽነት ጋና ኣብ 2016 ኣ\/ፈ 20 ሚእታዊት ዝነበረ ኣብ 2030 ናብ ሽዱሽተ ሚእታዊት ክወርድ ትፅቢት ይግበር። ብመሰረት ባንኪ ዓለም ዘቐመጦ መጠን መዓልታዊ እቶም 1 ዶላርን 90 ሳንቲምን ካብ 2000 ጀሚሩ ልዕሊ ሓደ ቢሊዮን ሰባት ካብ ሕሱም ድኽነት ወፂኦም ኣለው። መሊንዳ ጌትስ እዚ ለውጢ መፂኡ ዘሎ ዓለም ኣብ ሰብኣዊ ዓቕሚ፣ኣብ ጥዕና፣ኣብ ትምህርትን ሕርሻን ኢንቨስት ስለዝተገብረ እዩ ይብላ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8B%8D%E1%8B%95%E1%88%8D-%E1%8A%A2%E1%8A%95%E1%89%A8%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8B%8D%E1%88%95%E1%88%B5%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8D%83%E1%8A%A2-%E1%8B%88%E1%88%88%E1%8B%B6-%E1%8A%A5%E1%8B%A9-%E1%88%98%E1%88%8A%E1%8A%95%E1%8B%B3-%E1%8C%8C%E1%89%B5%E1%88%B5%E1%8A%95\/4577051.html"} {"headline":"ዓረና ኣብ አዲስ አበባን ከባቢኣን ንዝተፈጥረ ጎንጺ ኮኒኑ","content":"ውድብ ዓረና ንልኡላውነትን ዴሞክራስን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ብዝተፈጠረ ጎንፂ ህይወት ዜጋታት ምሕላፉን ኣካላውን ንዋታውን ዕንወት ምብፅሑ ዝኹነን ተግባር እዩ ክብሉ ብትሪ ነቒፉ። መንግስቲ ንተሓተቲ ኣካላት ብቕልጡፍ ናብ ሕጊ ከቕርቦምን መምሃራይ ስጉምቲ ክውሰደሎም እቲ ውድብ ይፅውዕ ክብሉ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ዓረና ትግራይ ኣይተ ዓምዶም ገብረስላሴ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓቢሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%8A%A3%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%A8-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8C%BA-%E1%8A%AE%E1%8A%92%E1%8A%91\/4576935.html"} {"headline":"ኣብ ቡራዩ ዘጋጠመ ግጭት ስዒቡ ኣብ ዋና ከተማ አዲስ አበባ ተቓውሞ ተኻይዱ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ከባቢ ዋና ከተማ ኢትዮጵያ አዲስ አበባ ዝተላዕለን ሞት 23 ሰባት ዘስዓበ ግጭት ቡራዩ ስዒቡ ትማሊ ሶኑይ ኣብ አዲስ አበባ ተቓውሞ ምክያዱ ተፈሊጡ’ሎ። ብሰንኪ ኣብታ ከተማ ዝተኻየደ ተቓውሞ ምክንያት መንገዲታትን ኣብያተ ንግዲን ምዕጻዎምን ተገሊጹ’ሎ። ኮሚሽነር ፈደራል ፖሊስ ዘይኑ ጀማል ነቲ ፍጻመ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ቃል ፖሊስ “ሓደገኛ” ንዝብሎም ሰባት ኣብ ብዝተኮሶ ጥይት ሓሙሽተ ሰባት ምሟቶም ሓቢሮም ኣለው። ዘውዱ ጠኔ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ናይ ትማሊ ሶኑይ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ዝተሳተፉ መንእሰይ’ዩ። ንሱ ጎረቤቱን ሓውን በቲ ግጭት ከምዝሞትዎ ብምግላጽ “ መንግስቲ ንሕበር ይብል ኣሎ፡ ግን ልዕልና ሕጊ እንተዘየሎ ብኸመይ ኢና ንሓብር” ይብል። No media source currently available ዓለምለኸ ትካል ተሓለቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል መንግስቲ ኣብቲ ዝተላዕለ ግጭትን ኣብ እዋን ተቓውሞ ዝሞቱ ሓሙሽተ ሰባት ብዝምልከት ዝተማለአ ምርመራ ከካይድ ጻዊዒት ኣቕሪቡ’ሎ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣቶ ፍጹም አረጋ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ኣብ ከባቢ አዲስ አበባ ዘጋጠመ ግጭትን ሞትን ብትሪ ከምዝኾነኑ ብምግላጽ መንግስቲ ነቲ ጉዳይ አጻርዩ ኣብ ልዕሊ ተሓታቲ ዘድልይ ስጉምቲ ከምዝወስድ ሓቢሮም ኣለው። ብተወሳኺ በቲ ፍጻሜ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ወገናት ዝተሰምዖም ከቢድ ሃዘን ብምግላጽ ንቤተሰቦም ምጽንናዕ ተመንዮም ኣለው። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ሎሚ በቲ ግጭት ካብ መነባብሮም ተመዛቢሎም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ተዓቑቦም ዘለው ዜጋታት ምብጽሖም’ውን መራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ሓቢሮም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%A1%E1%88%AB%E1%8B%A9-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%88%B5%E1%8B%92%E1%89%A1-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%88%9E-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/4576711.html"} {"headline":"ምስሕሓብ ኣቶ ብርሃኑ ኣባዲን ቤት ፅሕፈት ህውሓትን (ሳልሳይ ክፋል)","content":"ኣካያዲ ስራሕ ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ዝነበረ ጋዜጠኛን ደራሲን ብርሃኑ ኣባዲ ኣብ መንግስታዊ መሓውር ይኹን ኣብ ኣዋጅ ዘየለ ብቤት ፅሕፈት ህውሓት ዝመራሕ ናይ ውድብ ኣካል ሚዲያ ኮሚቴ ኣብ መዓልታዊ ስራሕ ጣልቃ እናኣተወ ከምዘጸገሞ ይገልፅ። ኣቶ ብርሃኑ እዚ ጣልቃ ናይ ምእታው ተግባር እቲ ዝድለ ለውጢ ዕንቅፋት የጋጥሞ ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ ኣብ ውሽጢ ህውሓት ደለይቲ ለውጢ ፀብለልታ ኣይረኸቡን የግዳስ ለውጢ ዘይደልዩ ወገናት ሕዚ እውን ምስ ሓይሎም እዮም ይብሉ። ኣባል ፖሊት ቢሮን ምኽትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈትን ህውሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኖም ኮሚቴ ሚድያ ኣጠቓላሊ ኣንፈት ካብ ምትሓዝ ወፃኢ ኣብ መዓልታዊ ሰራሕ ጣልቃ ኣይኣትውን፡ ኣቶ ብርሃኑ ካብ ሓለፍነቱ ዝተለዓለ እውን እቲ ዝድለ ለውጢ ስለዘየምፀአ እዩ ኢሎም። ብኣቶ ብርሃኑ ዝተለዓለን ናይ ትግራይ ኣክቲቪስት የልዕልዎ ዘለው እቲ ለውጢ ክቕየር ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ክምልሱ ከለው ኣቶ ጌታቸው ኣብ ውሽጢ ህውሓት ንለውጢ ዝድግፍን ዘይድግፍን ዝበሃል ከምዘየለውን እቲ ለውጢ ክዕንቀፍ እዩ ኢሎም ስግኣቶም ዝገልፁ እውን ክሰግኡ ከምዘይብሎምን ገሊፆም ኣለው። ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/controversy-on-the-firing-of-the-general-manager-of-tigray-mass-media-agency-part-threeo\/4575288.html"} {"headline":"ኣመራርሓ ደምህት ከተማ መቐለ ኣትዮም","content":"ልዕሊ ክልተ ሽሕ ኣባላት ሰራዊት ዴሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ህዝቢ ትግራይ (ደምህት) ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ውሽጢ ሃገር ክኣትዉ እዮም ክብሉ ኣቦ መንበር እቲ ምንቅስቓስ ኣይተ መኮነን ተስፋይ ተዛሪቦም። ኣመራርሓ እቲ ምንቅስቓስ ሎሚ ሶኑይ ከተማ መቐለ ኣብ ዝኣተውሉ ኣቀባብላ ተገይርሎም ኣሎ። ኣይተ መኮነን ከምዝተዛረብዎ ኣባላት ሰራዊት እቲ ምንቅስቓስ ናብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝኣትውሉ መትከሊ እግሪ ክዳለወሎም ምስ መንግስቲ ተዘራሪብና ኢና ኢሎም። ኣብቲ ኣቀባብላ ዝተረኸቡ ሓላፊ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ትግራይ ኣይተ ነጋ በርሀ ብወገኖም መንግስቲ ትግራይ ይኹን ውድብ ህወሓት ምስ ደምህት ኣብ ዘራኽቦም ጉዳያት ሓቢሮም ንምስራሕ ድልው እዩ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%AD%E1%88%93-%E1%8B%B0%E1%88%9D%E1%88%85%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%88%9D\/4575011.html"} {"headline":"መንግስቲ ክልል ትግራይ ኦነግ ኣብ ዘካየዶ ሰላማዊ ቃልሲ ከምዝተሓጋገዝ ኣፍሊጡ","content":"መንግስቲ ትግራይ ኦነግ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝገብሮ ሰላማውን ሕጋውን ቃልሲ ሓገዝ ክገብር እየ ኢሉ። ኣባላት ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ) ናብ ኢትዮጵያ ብግንባር ዛላንበሳ ኣብ ዝኣተውሉ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ትግራይ ኣቀባብላ ተገይርሎም። No media source currently available ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ኣባላት እቲ ውድብ በቲ ኣቀባብላ ከምዝተሓጎሱ ተዛሪቦም፤ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝግበር ሰላማዊ ቃልሲ ድማ ግደኦም ከምዘበርክቱ ገሊፆም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A6%E1%8A%90%E1%8C%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%98%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B6-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8A-%E1%89%83%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%93%E1%8C%8B%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4574991.html"} {"headline":"መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ስምምዕ ሰላም ተፈራሪሞም","content":"መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝጸንሓ ኹናት ብምዝዛም ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ጅዳ ስዑዲ ዓረብ ስምምዕ ሰላም ተፈራሪሞም። ሰበ ስልጣን ክልቲኦም ሃገራት ብዛዕባ'ቲ ስምምዕ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃቡን፡ እንተኾነ እቲ ስምምዕ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዝተበጽሓ ስምምዕ ሰላም ዘሐይል'ዩ ክብሉ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ዓብደል አል ጁቤር ምሕባሮም AFP ገሊጹ'ሎ። ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ንጉስ ሳልማንን ወዶም ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን ነቲ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝተፈረመ ስምምዕ ምትእንጋዶም ተገሊጹ’ሎ። No media source currently available ጠቕላሊ ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረስ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምፍርራም ድሕሪ ምርኻብ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ \" ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነፍስ ዘሎ ተስፋ ሰላም መርኣያ እዩ\" ድሕሪ ምባል ንመራሕቲ ክልቲኦም ሃገራትን ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣመስጊኖም። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝጸንሓ ኹናት ኣብ ወርሒ ሓምለ ብዝተፈረመ ኣዋጅ ሓባራዊ ሰላምን ምትሕብባርን ምብቕዑ ድሕሪ ምሕባሩ መስመር ቴሌፎን፡ መንገዲ ኣየር ከምኡ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መጉዓዝያ ምድሪ ንምጅማር ዶብ ክልቲኣን ሃገራት ዳግማይ ምክፋቱ ይፍለጥ። መራሕቲ ክልቲኣን ሃገራት ብተወሳኺ ትማሊ ሰንበት ዝለዓለ ሽልማት ስዑዲ ዓረብ ካብ ንጉስ ሳልማን ተዋሂብዎም ኣሎ። ምስዚ ብዝተሓሓዝ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ሎሚ ምስ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከምዝተራኸቡ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ዓብደል ኣል ጁቤር ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሮም። ሚንስተር ቁጠባን ፋይናንስ ጅቡቲ ኢልያደወላሕ ብወገኖም ንቀርኒ ኣፍሪቃ ንሰላም፡ምርግጋእንን ምዕባለን ዘሰጋገር ፍጻሜ ክብሉ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ገሊጾም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%8B%91%E1%8B%B2-%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%88%9E%E1%88%9D\/4574725.html"} {"headline":"ድሕሪ ምኽፋት ዶብ ዝጀመረ ምንቅስቃስ ህዝቢ ካብን ናብን ኤርትራን ኢትዮጵያን","content":"ኣብዘን ዝሓለፋ 2-3 መዓልታት ኣስመራ- ሰንዓፈ-ዛላንበሳ መስመር ፣ ካብ ወትሮ ብዝተፈለየ ብብዝሒ ተሽከርከርትን ሰባትን ኣዕለቕሊቑ ይርከብ።ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2011 ኢትዮጵያ ፣ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀ\/ሚ ኢትዮጵያን ነበርቲ ወከልቲ ክልቲኡ ህዝብታትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ንልዕሊ 20 ዓመታት ተዓጽዩ ዝጸንሐ ንኤርትራን- ኢትዮጵያን ዘራኽብ መስመር ኣስመራ-ዛላንበሳ- ትግራይ ብወግዒ ድሕሪ ምኽፋቱ ካብን ናብን ኣስመራ -ዓዲ ግራት-መቐለ ናይ ትግራይን ኣዲስ ኣበባን ታርጋ ዘለዎም ተሽከርከርቲ ብብዝሒ ክንቀሳቐሳ ጀሚረን ኣለዋ። ካብ ኤርትራ'ውን ናይ ኤርትራ ታርጋ ዘለወን መካይን ብተመሳሳሊ ናብ ትግራይ ጉዕዞ ጀሚረን ኣለዋ።ናይ ትግራይን ኣዲስስ ኣበባ ታርጋ ዘለወን ጣፍን ስሚንቶን ዝጸዓና ዓበይትን ማእከሎትን ናይ ጽዕነት መካይንኣብ ብሎኮ ጎዳይፍ ጽዕነተን ብምርጋፍ ፣ንኩንታል ጣፍ 3500 ናቕፋ፣ንኩንታል ስሚንቶ ከኣ ብ600 ናቅፋ ኣብ ምሻጥ ይርከባ። ናይ ክልቲኡ ሃገራት ተጓዕዝቲ ብወገኖም ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሃገራት ዝነበረ ዘይምስምማዕ ብሰላማዊ መንገዲ ተፈቲሑ ድሮ ህዝቢ ካብን ናብን ክመላለሰን ክራከብን ብምጅማሩ ዝተሰምዖም ሓጎስ ገሊጾም'ዮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%8D%8B%E1%89%B5-%E1%8B%B6%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8C%80%E1%88%98%E1%88%A8-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%B5%E1%89%83%E1%88%B5-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8A%AB%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95\/4572006.html"} {"headline":"ፕረዚደንት ኢሰያስ ንብኣፈኛ ባይቶ ክልል ኣምሓራ ዝተመርሐ ልኡኽ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ","content":"ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብኣፈኛ ባይቶ ክልል ኣምሓራ ወይዘሮ ወርቀሰሙ ማሞ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ። ምብጻሕ ብኣፈኛ ባይቶ ክልል ኣምሓራ ወይዘሮ ወርቀሰሙ ማሞ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ መርኣያ ዘለዎም ኣድናቖት ነቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላምን ንምድልዳሉ ዘለዎም ቅርቡነት ንምግላጽ ምዃኑ ሚ ንስትሪ ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽኦ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሩ። ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፍወርቂ ብወገኑ ንምብጻሕ እቲ ጉጅለ ብምንኣድ እቲ ብክልቲኦም መራሕቲ ዝተወስደ ተበግሶ መርኣያ ድሌት ህዝብታት ክልቲኤን ሃገራት ጥራይ ምዃኑ ኣብሪሁ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%88%B0%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8A%95%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8A%9B-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%AD%E1%88%90-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%89%B0%E1%89%90%E1%89%A2%E1%88%89-%E1%8A%A3%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A1\/4571774.html"} {"headline":"ኣብ አዲስ አበባ ብዝተላዕለ ጎንጺ ሓደ ሰብ ሞይቱ","content":"ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ብሰንኪ ባንዴራ ዝተፈላለየ ውድባት ትማሊን ሎሚን ጎንጺ ከምዝተፈጥረ ነበርቲን ፖሊስን ኣፍሊጦም። እቲ ጎንጺ ዝተላዕለ ንኣመራርሓ ግንባር ነጻነት ኦሮሞ ንምቅባል ኣብ ዝነበረ ምድላው ኣብ ኣሰቃቅላን ኣለኻኽያን ሕብሪን ባንዴራ ውድባት ዝተላዕለ ተቓውሞ መንእሰያትን ምኻኑን ካብ ክልቲኦም ወገናት ዝተረኽበ ሓበሬታ የብርህ። በቲ ጎንጺ ሓደ ሰብ ብእምኒ ተወቒዑ ከምዝሞተ ፖሊስ አረጋጊጹ’ሎ። ግንባር ነጻነት ኦሮሞ በቲ ተግባር ከምዝጎሃየ ገሊጹ። እቲ ዝተጀመረ ለውጢ ብኣሉታ ከይጽለው ንምክእኣል ክህልው ኣለዎ እውን ኢሉ’ሎ። ጉዳይ ባንዴራ ዝያዳ ዘኽርሩ ካብቶም ዝመጹ ፓርቲታት ንላዕሊ እቶም ምክፍፋል ዝደልዩ ሓይልታት’ዮም ክብሉ’ውን ቀዳማይ ሚንስተር አብይ አሕመድ ገሊጾም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88-%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%8C%BA-%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B1\/4570696.html"} {"headline":"ርእይቶ ነበርቲ መቐለ ኣብ ስነ ስርዓት ጽንብል ምኽፋት ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ መራሕቲ","content":"ድሕሪ 20 ዓመታት ዶብ ኢትዮጵን ኤርትራን ብወገን ዛላንበሳ ኣብ ዝተኸፈተሉ እዋን ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚንስተር ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብቲ ጽንብል ተሳቲፎም ንህዝቢ መልእኽቲ ከየሕለፉ እዮም ግና ተመሊሶም። እዚ ጉዳይ መዘራረቢ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ከተማ መቐለ ንገለ ነበርቲ ኣብዚ ጉዳይ ዘለዎም ርእይቶን ብተወሰኺ፣ ነቲ መድረኽ ዝመርሐ ጋዜጠኛን ሓላፊ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎምን ኣብቲ መድረኽ እቶም መራሕቲ ክዛረቡ ትልሚ ነይሩ’ዶ ንዝብል ብዝምልከት ዝተዳለወ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%8C%BD%E1%8A%95%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%8D%8B%E1%89%B5-%E1%8B%B6%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B2\/4570640.html"} {"headline":"ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጀምረ ለውጢ ክትድግፍ ኣለዋ ክብሉ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን’ታ ሃገር ጸዊዖም","content":"ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ናይ ኣፍሪቃ ጉዳያት ተሓጋጋዚ ሚንስተር ቲቦር ናዢ ኣሜሪካ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክባት ከተሐይል ኣለዋ ኢሎም ።ኣባል ባይቶ ኣሜሪካን ኣቦ ወንበር ንኡስ ኮሚቴ ጉዳያት ኣፍሪቃን ክሪስቶፈር ስሚዝ እውን ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ሓገዝ ኣሜሪካ የድልዮም እዩ ኢሎም።ክልቲኦም ነዚ ዝገለፁ ንኩነታት ኢትዮጵያ ንምስማዕ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ኮንግረስ ኣብዝተዳለወ ኣኼባ ንኡስ ኮሚቴ ጉዳያት ኣፍሪቃ እዩ። ኣብ ኣሜሪካ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ናይ ኣፍሪቃ ጉዳያት ተሓባባሪ ሚንስተር ቲቦር ናዢ ኣብ ዋሽንግተን ንንኡስ ኮሚቴ ኮንግረስ ኣሜሪካ ንህልው ኩነታት ኢትዮጵያ ብዝምልከት ኣብዘስምዕዎ ቃለ ምስክርነት ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻዊ ለውጢ ትርከብ ኣላ ኢሎም። “ኣብ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ 2 ሚያዚያ 2018 ቀዳማይ ሚንስተር ኮይኖም ካብ ዝምዘዙ ንድሓር ንኹሉ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝትንክፉ ጉዳያት ለውጢ ኣበጊሶም እዮም።ቅድሚኦም ዝነበረ መንግስቲ ዘይፈትሖም ጉዳያት ብዕቱብ ምግጣሞም ዓብዪ ሞሳ ይግብኦም።” ትፅቢት ኢትዮጵያዊያን ዝለዓለ ምዃኑ ዝሓበሩ ቲቦር ናዢ ሓገዝ ኣሜሪካ ድማ ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሮም ኣለው። “ትፅቢት ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዘገርም ኣዚዩ ዝለዓለ እዩ።መብዛሕትኦም ኸኣ መናእሰይ እዮም።ኣስታት 70 ሚሊዮን ሰባት ዕድሚኦም ትሕቲ 30 ዓመት ምዃኑ ንግምት።መብዛሕትኦም ብሰንኪ ብልሽውናን ቁጠባዊ ዕድላትን ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ዝተኻየዱ ሰልፍታት ተቓውሞ ተሳቲፎም እዮም።” ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ዝነኣዱ ተሓባባሪ ሚንስተር ጉዳያት ኣፍሪካቃ ናዢ ብዝለዓለ እምነት ተቐቢልናዮ ኢሎም። “ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ን20 ዓመታት ዝነበረ ግጭት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከብቅዕ ብሓባር ንምስራሕ ዝወሰዱዎ ተበግሶ ብልዑል ጠመተ ኢና ተቐቢልናዮ።ሳዕቤን ናይቲ ግጭት ንምፅጋን ኣብ ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ብፍላይ ኸኣ ኣብ ከባቢታት ዶብ ገና ዝስራሕ ኣሎ።ንሰላም ዝድግፍ ብኽልቲኡ ወገን ሓያል ስምዒት ከምዘሎ ግን ርኢናዮ ኣለና።ክልቲኦም መንግስታት ኣብቲ ከባቢ ዝፈጥሮ ኣወንታዊ ውፅኢት ኣድላይነቱ ኣስሚሮምሉ እዮም።” HR-128 ብዝብል ሽም ዝፅዋዕን ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ክመሓየሽ ዝጽውዕ ረቒቕ ሕጊ ኣብ ኮንግረስ ኣሜሪካ ብምቕራብ ዝፍለጡ ሪፓብሊካዊ ኣባል ኮንግረስ ክሪስቶፈር ስሚዝ እውን ምስክርነቶም ገሊፆም ኣለው።ኣብ ቀረባ ኣብ ኢትዮጵያ ብምብፃሕ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድን ዝተፈላለዩ ኣካላትን ከምዝተራኸቡ ብምግላፅ ከምዚ በሉ። “ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣባል ኮንግረስን ኬረን ባስን ኣነን ናብ ኢትዮጵያ ከይድና ኣብ ዋና ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ተራኺብና።ሓደ ዝተዓዘብኩዎ፣ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሎሚ ርእየዮ ዘይፈልጥ ዝለዓለ ድልየት ለውጥን ተስፋን እዩ።እቶም ቀዳማይ ሚንስተር ፍርቂ ዓመት ኣብዘይመልእ ግዜ ብዘምፅኡዎ ለውጢ ናእዳን ምትብባዕን ይግብኦም እዩ።” ንሶም ብተወሳኺ እቲ ትፅቢት ዝለዓለ ምዃኑ ኣባል ኮንግረስ ስሚዝ ሓቢሮም። “ክንርስዖ ዘይብልና እቲ ትፅቢት እናዓበየ እዩ መፂኡ።ንሶም ዝጀመሩዎ ለውጢ ክቕፅል ኣለዎ።ንኣብነት ኣብ 2009 ዝፀደቐ ክፉእ ኣዋጅ ማሕበራትን ግብረሰናይን ሕጊ ፀረ ግብረሽበራን ሎሚ እውን ኣብ ቦቱኡ ኣለው።ሕጋዊ ትካላት ስቪል ማሕበረሰብን ፖለትካዊ መደረን ንምዕፋን ዝተፈጥሩ እዮም።ኣነን መሳርሕተይን ዘዘራረብናዮም ብዙሓት እሱራትን ግዳያት መስቀይትን ዝነበሩ ሎሚ እውን ፍትሒ ይሓቱ ኣለው።ኣሕሊፍናዮ ኢሎም ዝገለፅዎ ስቅያት ፍፁም ዘስካሕካሕ እዩ።ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ዝርከቡዎም ብተደጋጋሚ ዝሰማዕናዮ ነገር ነታ ሃገር ንቕድሚት ንምስጓም መስርሕ ሓቅን ዕርቅን ከምዘድልይ እዩ።” ኣባል ኮንግረስ ካረን ባስን ካልኦት ኣጋይሽን እውን ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተርኣዩ ምዕባለታት መደረ ኣስሚዖምን ንሕቶታት እውን መሊሶም ኣለው። ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢኣሜሪካ ናይ ኣፍሪቃ ጉዳያት ተሓባባሪ ሚንስተር ቲቦር ናዢ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተርኣየ ኣወንታዊ ምዕባለታት ብምድናቕ፣ኤርትራ ኣብቲ ዞባ ዝተፃወተቶ ኣውንታዊ ተራን ዳግም ምቅልቓል ኣብ ዓለምለኻዊን ዞባውን መድረኻት ዝፈጥሮ ዕድላት ከምኡ እውን ኣሰካፊ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ናይታ ሃገር ብዝምልከት ዝተዛረቡዎ ፅባሕ ክነቕርቦ ኢና። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%8C%80%E1%88%9D%E1%88%A8-%E1%88%88%E1%8B%8D%E1%8C%A2-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%8B%B5%E1%8C%8D%E1%8D%8D-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8B-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%96%E1%88%9D\/4570610.html"} {"headline":"ብሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ","content":"ብሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳሚህ ሹከረይ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ሎሚ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣስመራ ተራኺቡ፡ተዘራሪቡ። ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ካብ ፕረዚደንት ኣል -ሲሲ ዝተላእኸ መልእኽቲ ንፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከምዘብጸሓ ሚንስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽኦ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሩ ኣሎ። ክልቲኦም ወገናት ኣብ ምስፋሕ ክልቲኣዊ ምትሕብባርን ዞባዊ ምዕባለን ከምተዘራረቡ ጠቂሱ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%8C%BA-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8B%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%88%8E\/4569952.html"} {"headline":"ድራማዊ ፍጻሜ ምፍልላይ ስድራ ቤታት ኣብ ዛላምበሳ","content":"ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዛላምበሳ ዝተራእየ ርክብ ንኣስታት ዕስራ ዓመታት ብመንግስታት ሰራሕ ሓጹር ተፈላልዮም ዝነበሩ ስድራ ቤታት ‘ድራማዊ ፍጻመ ከምዝረኸበ’ ጋሻና ይገልጽ። መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ክርከብሉ’ዮም ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ስነ ስርዓት ወረቀት ዕድመ ዘይረኸቡ ህዝቢታት ክልቲኤን ሃገራት ንሓጹር ሰሪሑ ኣይትሕለፉ ባሃሊ ስራዊት ክልቲኤን ሃገራት ጥሒሶም ብምሕላፍ ከምዝተሓቛቆፉን ከምዝተሰዓዓሙን’ውን ተገሊጹ። መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ሃንደበት ድሕሪ ሃገራዊ መዝሙር ክልቲኤን ሃገራት ካብ’ቲ ስፍራ ከምዝነቐሉ’ውን ንምፍላጥ ተኻኢሉ’ሎ። ድሕሪ ዕስራ ዓመት ንሓወን ዝረኸባ ወላዲት’ውን ኣዘራሪብና ኣለና። መጻኢ ጊዜ ‘ጊዜ ሰላምን ፍቕሪን ክኾነልና’ዩ ዝብል ተስፋ ኣለኒ’ ይብላ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/zalambesa-dramatic-conclusion-of-family-separation\/4569026.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ብብዝሒ ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ቅድሚት ተሰሪዓ’ላ","content":"ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሹድሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ ብበዝሒ ተመዛበልቲ ንሶሪያ ከምዝበለፀታ ንተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ዝከታተል IDMC ዝተበሃለ ዓለምለኸ ትካል ኣፍሊጡ። ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገራት ብበዝሒ ካብዘለወን ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ኢትዮጵያ ቅድሚት ተሰሪዓ’ላ። ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ንዝመዛበሉ እናተኸታተለ ዝፅብፅብን ቤት ፅሕፈቱ ጄኔቭ ዝኾነን Internal Displacement Monitoring Center\/IDMC\/ ዝተበሃለ ትካል ሎሚ ኣብዘውፅኦ መግለጺ ኣብ ዓመተ 2018 ፀብፃብ ፍርቂ ዓመት ኩነታት ተመዛበልቲ ኢትዮጵያ ዘተሓሳስብ እዩ ኢሉዎ’ሎ። ዳይረክተር ናይቲ ትካል ኣሌክሳንድራ ቢላክ ካብ ጥሪ ክሳብ ሰነ ንዘሎ እዋን ከምዝሽፍን ሓቢረን። “እቲ ሪፖርት ከምዝሕብሮ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ ብብዝሒ ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ዝወሰኸት ሃገር ምዃና እዩ።1.4 ሚሊዮን ሰባት ሓድሽቲ ተመዛበልቲ ሰባት ተመዝጊቦም ኣለው።እዚ ኣሃዝ ኣብዚ ስዓት ዝለዓለ ጠመተ ዘድልያ ሃገር ምዃና ይሕብር።” እቲ ትካል ብዙሕ ህዝቢ ናይ ዝተመዛበሎም 10 ሃገራት ሪፖርት ዝሓዘ እዩ።ኣብ ሶሪያ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተመዝገቡ ተመዛበልቲ 1.2 ሚሊዮን ክኾኑ ከለው ኣብ የመን ድማ 142 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም ኣለው።ኢትዮጵያ ግን 1.4 ሚሊዮን ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብምምዝባል ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ’ላ።ካብ ኣፍሪካ 946 ሽሕ ሰባት ተመዛበልቲ ዘለዋ ኮንጎ ድሕሪ ኢትዮጵያ ተሰሪዓ’ላ።ኣብ ኢትዮጵያ ሓድሽ ዝተመዛበሉ ሰባት ዝተመዝገቡ ካብ ምዕራብ ጉጂን ጌዶ ምዃኖም እውን ዳይሬክተር’ቲ ትካል ወሲኸን ገሊፀን። “ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣብ ተዋሰንቲ ከባቢታት ጉጂን ጌድዮን ብዝተልዓለ ግጭት ጥራሕ ኣብ ፈቐዶ መዕቖቢታት ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዝዝሖም ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ይብፅሕ።እቶም ተመዛበልቲ ኣብ ኣዚዩ ዝተፃበበ ኩነታት ከምዝርከቡ፤መግብን ማይን ንምርካብ ዝለዓለ ጭንቂ ከምዝኾኖም፣ብቑዕ ኣገልግሎት ጥዕና እውን ከምዘይረኽቡን ገሊፆምልና እዮም።” ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ድርቅን ዝተፈላለዩ ናይ ተፈጥሮ ፀገማትን ንነዊሕ ዓመታት ተመዛበልትን ሓገዝ ዘድልዮምን ብብዝሒ ክምዝገብ ከምዝፀንሐ ዝሓበራ እተን ዳይረክተር ኣብ ቀረባ ዝተርኣዩ ምዝንባላት ግን ብሰንኪ ግጭታት ዝተፈጥሩ እዮም ኢለን።ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ጉጅልአን ኣብ ክልላት ሶማሌን ኦሮሚያን ንዝተመዛበሉ ከምዝተዓዘቡ እውን ገሊፀን። “ናይዚ ክልል ሪፖርት እውን ተመሳሳሊ እዩ።ብርክት ዝበሉ ተመዛበልቲ ማይን መሰረታዊ ዝኾኑ ረድኤት ንምርካብ ዝለዓለ ፀገም ኣለዎም።ናታቶም ኩነታት እውን ኣዚዩ ዘተሓሳስበና እዩ።” ንሰን ከምዝሓበርኦ ብናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ዝተመዛበሉ እናሃለው ብግጭት ዝተመዛበሉ ሰባት በዝሒ ምውሳኽ መፃኢ እዋን ዘተሓሳስብ ይገብሮ ኢለን። ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ህፃናት ኣድሕን ኣብ መጀመሪያ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት 1.6 ዝነበረ ብዝሒ ተመዛበልቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን 2.8 ሚልዮን ሰባት ከምዝበፅሕ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ገሊፁ ነይሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%92-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%8B%8D%E1%88%BD%E1%8C%A2-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%89%85%E1%8B%B5%E1%88%9A%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%88%AA%E1%8B%93-%E1%88%8B\/4568981.html"} {"headline":"መሪሕነት ደሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ትማሊ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም","content":"ኣብ ኤርትራ መዋፈሪኡ ጌሩ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይድ ዝጸንሐ ደሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ደምህት)፡ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዕጥቃዊ ቃልሲ ደው ምባሉ፡ ኣብ ኣስመራ ምስ ልኡኻት መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰላም ድሕሪ ምዝታይ፡ ትማሊ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ ቃልሱ ብሰለማዊ መንገዲ ንምቕጻል ምዃኑ ዋና-ጸሓፊ ደምህት ኣቶ ግደይ ኣሰፋ ንሬድዮ ፋና ገሊጹ`ሎ። ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሚንስተር ዲኤታ ዶ\/ር ኣክሊሉ ሃይለሚካኤል ንመሪሕነት ደምህት ኣቀባብላ ጌሮምሎም ኣለዉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%AA%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8B%B0%E1%88%9E%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%88%B2%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%B5%E1%89%93%E1%88%B5-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B5%E1%88%9B%E1%88%8A-%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%88%9D\/4568914.html"} {"headline":"ነበርቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተሳተፍሉ በዓል ሓዱሽ ዓመት ኣብ ዛላንበሳን ሰርሓን ተኸቢሩ","content":"ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራ ከባቢ ዛላንበሳ ነበርቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተሳተፍሉ በዓል ሓዱሽ ዓመት 2011 ብሓባር ኣኽቢሮም። ኣብቲ በዓል ፕረዚዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚንስተር ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድን ተሳቲፎም እዮም። እቲ በዓል ኣብ ጎረቤት ከተማ ዛላንበሳ ዝኾነት ሰርሓ እውን ክልቲኦም መራሕቲን ካብ ክልቲኡ ህዝቢ ዝተሳተፈሉ ተኸቢሩ። ን20 ዓመታት ተፈላለዮም ዝፀንሑ ስድራ እውን ሎሚ መዓልቲ ተራኺቦም። ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብቲ ጽንብል ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “እዚ ሰላም ክውን ክኸውን ዝገበሩ ዝበሉዎም መራሕቲ ኒኢዶም ንቐፃሊነት እዚ ሰላም እውን ህዝቢ ትግራይ ቁሩብ እዩ” ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B2%E1%8A%A0%E1%8A%95-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%B3%E1%89%B0%E1%8D%8D%E1%88%89-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%88%93%E1%8B%B1%E1%88%BD-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9B%E1%88%8B%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%88%B3%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%88%93%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%89%A2%E1%88%A9\/4567320.html"} {"headline":"ሓባራዊ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዳግማይ ተኸፊቱ","content":"ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተጀመረ ርክብ ሎሚ ሶሉስ ናብ ካልእ ምዕራፍ ብምስግጋር ሓባራዊ ዶባተን ዳግማይ ከፊተን። ፕረዚዳንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ሎሚ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ንክልቲአን ሃገራት ዘራኽብ መስመር ዶብ ደባይ ሲማ-ቡሬ ድሕሪ ቐትሪ ኸአ ዶብ ሰርሓ-ዛላምበሳ ብድሙቕ ስነስርዓት ከፊቶም ኣለው። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ አዲስ አበባ ኣብ ዝኣተውሉ ኣብ ዝሃብዎ ቃል “ሰራዊትናን ሰራዊት ኤርትራን ተሓቛቒፉ ብሓባር ክስዕስዕን ክነብዕን ምርኣይ ኣዚዩ ደስ ይብል” ኢሎም። ኣብ ዛላንበሳ ኣብ ዝተኸብረ ስነስርዓት መደረ ዘስምዑ ምኽትል ኣማሓዳሪ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ\/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል እዚ ክፍጥር ንዝገበሩ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ኣመስጊኖም። ዝተጀመረ ሓድሽ ምዕራፍ ንምድልዳል ህዝብን መንግስትን ትግራይ ክልቲኡ ህዝብታት ብውሑስ ሰላምን ልምዓትን ክርብሑ ክሰርሕ እዩ ኢሎም። እቲ ዶባት ዳግም ናይ ምኽፋት ስነስርዓት ምስ ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያ ተገጣጢሙ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%89%A3%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%B6%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%B3%E1%8C%8D%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%8D%8A%E1%89%B1\/4567265.html"} {"headline":"ፕረ.ኢሳያስ ኣፈወርቂን ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድን ንመራኸቢ መስመር መንገዲ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብወግዒ ከፊቶም","content":"ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድን ሎሚ ንመስመር ደባይ-ሲማ-ቡረ፡ ብወግዒ ድሕሪ ምኽፋት ንመሰጋገሪ መስመር ሰርሓ ዛላምበሳ`ውን ድሕሪ ቐትሪ ብወግዒ ኸፊቶሞ`ለዉ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድን ብምክንያት እቲ ሎሚ ዝኽበር ዘሎ በዓል ሓድሽ ዓመትን ቅዱስ ዩሃንስን ንመጉዓዝያ ምድሪ ጽርግያ ደባይ ሲማ ቡሬ ከፊቶም። ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድን ሎሚ ንመስመር ደባይ-ሲማ-ቡረ፡ ብወግዒ ድሕሪ ምኽፋት ንመሰጋገሪ መስመር ሰርሓ ዛላምበሳ`ውን ድሕሪ ቐትሪ ብወግዒ ኸፊቶሞ`ለዉ። ድሕሪ`ዚ ካብ መዐርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ተበጊሶም ኣዲስ ኣበባ ዝተመልሱ ዶር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ብዛዕባ`ቲ ዝተዓዘብዎ ፍጻመ መግለጺ ሂቦም ኣለዉ፡ No media source currently available ኣብቲ ጽንብል ኣብቲ ከባቢ ዝነብረ ሰራዊት ክልቲኡ ሃገራትን ነበርቲ’ቲ ከባቢ ከምዝተሳተፉ ተፈሊጡ’ሎ። ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ሓምለ 9,2018 ኣዋጅ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ድሕሪ ምፍርራመን ኤምባሲታተን ክልቲኣን ሃገራት ዳግም ምኽፋቶም፡ መስመራት ቴሌፎንን በረራን ምጅማሩ ይፍለጥ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%82%E1%8A%95-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8B%B6%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%8D%8A%E1%89%B6%E1%88%9E\/4566646.html"} {"headline":"ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ንዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ሸሊማ","content":"ጽባሕ ንዝጅመር ሓድሽ ዓመት ብዝምልከት መልእኽቲ ዘሕለፉ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንዝተጀመረ ናይ ለውጢ ስራሕ መሰረት ዝሕዘሉ ክኸውን’ዩ ኢሎም። ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ትማሊ ካብ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዝተዋህቦም ሽልማት ኣብ ዝተቐበልሉ ካብ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ንዝቕረበሎም ሕቶ ኣብ ዝመለስሉ እዋን እታ ቤተ ክርስትያን ንቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣህመድ ነቲ ሽልማት ዝሃበት ነቲ ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ለውጢ ብምምራሖምን ንክቅጽልሉ ንምትብባዕን ምዃኑ’ውን ተገሊጹ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A6%E1%88%AD%E1%89%B6%E1%8B%B6%E1%8A%AD%E1%88%B5-%E1%89%A4%E1%89%B0%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8B%B6-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%88%B8%E1%88%8A%E1%88%9B\/4565705.html"} {"headline":"ኣመራርሓ ኣርበኞች ግንቦት 7 አዲስ አበባ ኣትዮም","content":"ናይ ኣርበኞች ግንቦት 7 አባላት ኣመራርሓ ትማሊ ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት አዲስ አበባ ኣብ ዝኣተውሉ ካብ ቦሌ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ኣትሒዙ ክሳብ አዲስ አበባ ስታድየም ድሙቕ ኣቀባብላ ተጌርሎም። አባላት ኣመራርሓ አርበኞች ግንቦት 7 ኣብ አዲስ አበባ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን’ቲ ስታድየም አዲስ አበባ ብናይ ቐደም ባንዴራ ኢትዮጵያ ደሚቑ ከምዝነበረን ብዝሒ ዘለዎ ሰባት ከምዝተረኽቡን ተፈሊጡ’ሎ። ናይ ኣርበኞች ግንቦት 7 ምንቅስቃስ አቦ መንበር ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ አዲስ አበባ አብ ዝኣተውሉ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ነዚ ለውጢ ዝቓወሞ ወገናት ናይ ይቅሬታን ፍቕሪን ጻውዒት ኣቕሪቦም። ዋና ጸሓፊ'ቲ ውድብ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ጽጌ ብወገኖም \"እቲ ቃልሲ ገና ሕጂ’ዩ ተጀሚሩ\" ኢሎም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%AD%E1%88%93-%E1%8A%A3%E1%88%AD%E1%89%A0%E1%8A%9E%E1%89%BD-%E1%8C%8D%E1%8A%95%E1%89%A6%E1%89%B5-7-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%88%9D\/4565697.html"} {"headline":"ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተሓጺሩ ዝነበረ መንደቕ ፈሪሱ","content":"ሎሚ ሶሉስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ መንጎ ኸተማታት ዛላምበንሳን ሰርሓን ዝነበረ ሓጹር ሰይሮም።ነቲ መራኸቢ መስመር'ውን ከምዝኸፈቱ ተሓቢሩ'ሎ። ጽባሕ ኣብ ዝኽበር ሓዲሽ ዓመትን በዓል ቅዱስ ዩሃንስን ካብ ክልቲኣን ሃገራት ዝተወከሉ ነበርቲ፡ ላዕለዎት ወታሃደራዊ መራሕትን ዝሳተፈሉ መድረኽ ኣብቲ መራኸቢ ስፍራ ከምዝኻየድ ተፈሊጡ'ሎ። ሎሚ ኣብ አዲስ አበባ ብምኽያት ሓድሽ ዓመት መደረ ዘስምዑ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ብዛዕባ'ቲ ርክብ ከምዚ ኢሎም። \"ብተወሳኺ ምስ ታሪኻዊት ናይ ሰሜን ጎረቤትና ሃገረ ኤርትራ ዕርቀ ሰላም ድሕሪ 20 ዓመታት ንመጀመርያ ጊዜ ሓድሽ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ሃገረ ኤርትራ'ውን ይኽበር ኣሎ።ሓድሽ ዓመት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራን ብሓባር የኽብርዎ ኣለው\" እውን ኢሎም። ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ዝተረኽብሉ ሚለንየም አዳራሽ ዝተኸብረ ክብረ በዓል ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ መራሕቲን ኣባላት ተቓወምቲ ውድባትን ተሓለቕቲ መሰላትን ኣመስጊኖም ብሓባር ነዛ ሃገር ንህነጻ ክብሉ'ውን ጻውዒት ኣቕሪቦም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%B6%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%8C%BA%E1%88%A9-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%89%95-%E1%8D%88%E1%88%AA%E1%88%B1\/4565141.html"} {"headline":"“ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ክትውንን ምንቅስቃስ ተጀሚሩ’ሎ” ጀነራል ሰዓረ መኮነን","content":"ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ክትውንን ምንቅስቃስ ተጀሚሩ’ሎ ክብሉ ኢታማጆር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ጀነራል ሰዓረ መኮነን ሓቢሮም። እቶም ጀነራል ነዚ ዝበሉ እዚ ሰሜን ሓይሊ ምክልኻል ንምጅማር ሓዱሽ ዓመት ጠሚቱ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ እዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%8B%8D%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%B5%E1%89%83%E1%88%B5-%E1%89%B0%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9-%E1%88%8E-%E1%8C%80%E1%8A%90%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%88%B0%E1%8B%93%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%8A%AE%E1%8A%90%E1%8A%95\/4565126.html"} {"headline":"\"ኤርትራን ጅቡቲን ዘይምርድዳኣን ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ምስምማዓን ንህዝቢ'ቲ ከባቢ ዓብይ መልእኽቲ'ዩ \"ዶ\/ር ወርቅነህ ገበየሁ","content":"ኤርትራን ጅቡቲን ኣብ መንጎኣን ዝነበረ ዘይምርድዳእ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ምስምማዓን ንኢትዮጵያ ዓብይ ዲፕሎማሲያዊ ሰሙን’ዩ ክብሉ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶ\/ር ወርቅነህ ገበየሁ ገሊጾም። ኣብ ኣሜሪካ ናይ ጅቡቲ ኣምባሳደር ኸአ እዚ ቀዳማይ ኣወንታዊ ስጉምቲ’ዩ ድሕሪ ምባል ንዝተረፉ ኣፈላላይ ከምዝፍትሑ ይተኣማመን እየ ኢሎም። ዶ\/ር ወርቅነህ ገበየሁ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል እዚ ንህዝቢ እቲ ከባቢ ዓብይ መልእኽቲ ዘለዎ’ዩ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8C%85%E1%89%A1%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8B%B5%E1%8B%B3%E1%8A%A3%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9B%E1%8B%93%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2-%E1%8B%93%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%89%B2-%E1%8B%A9-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%85%E1%8A%90%E1%88%85-%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%8B%A8%E1%88%81\/4562303.html"} {"headline":"ምስሕሓብ ኣቶ ብርሃኑ ኣባዲን ቤት ፅሕፈት ህውሓትን (ካልኣይ ክፋል)","content":"ኣካያዲ ስራሕ ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ዝነበረ ጋዜጠኛን ደራሲን ብርሃኑ ኣባዲ ኣብ ስሩዕ መንግስታዊ መሓውር ዘየለ ብቤት ጽሕፈት ህውሓት ዝምራሕ ናይ ሚዲያ ኮሚቴ ኣብ ዕለታዊ ስራሕተኛ ጣልቃ ይኣትው ነይሩ፤ስሩዕ ብዘይኮነ በዚ ኣካል ካብ ሓላፍነተይ ክልዓል ተገይረ ምባሉ ይዝከር። ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ህውሓት፣ምኽትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህውሓትን ኣባል ኮሚቴ ሚድያን ዝኾኑ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ግን እቲ ኮሚቴ ኣጠቓላሊ ኣንፈት ካብ ምምራሕ ወፃኢ ኣብ መዓልታዊ ስርሓት ጣልቃ ኣይኣተወን፤ኣቶ ብርሃኑ ካብ ሓላፍነቱ ዝተላዓለ ድማ እቲ ዝድለ ለውጢ ብዘይምምፅኡን ካብቲ ዝተቐመጠ ዕላማ ወፃኢ ናይ ምንቅስቓስ ምልክታት ስለዝተርኣየን እዩ ኢሎም። ዝርዝሩ ኣብዚ ምዝማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/controversy-on-the-firing-of-the-general-manager-of-tigray-mass-media-agency-part-two\/4562183.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ናይ ኤርትራ ዑደቶም ኣብ መንጎ እዘን ሃገራት ዝተጀመረ ርክብ ንምትግባር’ዩ ኢሎም","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ አብይ ኣሕመድ ድሕሪ ናይ ቻይናን ኤርትራን ዑደቶም ሎሚ ናብ አዲስ ኣበባ ተመሊሶም ኣለው። ብዛዕባ ዑደቶም ኣመልኪቶም ድማ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ አዲስ ኣበባ ንጋዜጠኛታት መግለጺ ሂቦም። ንሶም ናይ ቻይና ዑደቶም ኣብ ፎረም ቻይና ኣፍሪቃ ከም ኣህጉርን ሃገርን ዝደልይዎን ትጽቢት ዝግበረሎም ነገራት ተዘራሪቦም ሓደ ሓባራዊ ተግባራዊ ውጥን ንምድላው ምዃኑን እቲ ካልኣይ ኸአ ቻይና መራሕቲ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ዑደት ከካይዱ ብምዕዳማ ምኳኑ ገሊጾም። ቀ\/ሚ ኣብይ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮም ዑደት ብዝምልከት ሓደ ኣብ መንጎ ኤርትራ ኢትዮጵያን ዝተጀመረ መስርሕ ሰላምን ምትሕብባርን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሶማልን ዘሎ ርክብ ድማ ናብ ክብ ዝበለ ብርኺ ንምዕራግ ከምኡ’ውን ንሰላምን ልምዓትን ምትሕብባራን ንምሕያል ምዃኑ ገሊጾም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8E-%E1%8A%A5%E1%8B%98%E1%8A%95-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%80%E1%88%98%E1%88%A8-%E1%88%AD%E1%8A%AD%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%8B%A9-%E1%8A%A2%E1%88%8E%E1%88%9D\/4560854.html"} {"headline":"ኤርትራን ጅቡትን ምሕዝነተን ናብ ንቡር ክመልሳ ምስምምዐን ተገሊጹ","content":"ሚንስትራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ጅቡትን ሶማልያን፡ ሎሚ ኣብ ጅቡቲ ተራኺቦም፡ ኣብ ናይ ሓባር ጉዳዮም ሰፊሕ ዘተ ምክያዶምን፡ ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ምብጽሖምን፡ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ ኣፍሊጦም። ኤርትራን ጅቡትን ምሕዝነተን ናብ ንቡር ክመልሳ ምስምምዐን ድማ ተለቪዥን ኢትዮጵያ ንሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ`ታ ሃገር ብምጥቃስ ሎሚ ምሸት ኣፍሊጡ`ሎ። እቶም ሚንስተራት ኣርባዕተ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ`ቲ መግለጺኦም፡ ኣብ ናይ ሓባር ድልየትን ረብሓን ምምኽኻሮምን፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀደም ዝነበረ ሰላምን ምርግጋእን ንኽምለስ ከምዝተሰማምዑ ኣረጋጊጾም ኣለዉ። ሚንስትራት ወጻኢ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ናብ ጅቡቲ ዝኸዱ፡ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ምርኻቦም`ዩ። ብኻልእ ወገን፡ ብዛዕባ ናይ ቻይናን ኤርትራን ዑደቱ ብዝምልከት ሎሚ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ መግለጺ ዝሃበ ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ፡ እቶም ሚንስተራት ጉዳያት ወጻኢ ንዓቢይ ዕላማ ኣብ ጅቡቲ ከምዝተኣከቡ ተዛሪቡ፡- እቲ ኣጋጣሚ ዓቢይ ብስራትን ልምዓት ማዕጾ ዝኸፈተን`ዩ እውን ኢሎም። “ መንግስቲ ኤርትራን ኽቡር ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን፡ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ መንጎ ጅቡትን ኢትዮጵያን ኸምኡ`ውን ሱዳን ውሽጣዊ ጸገማታ ፈቲሓ፡ እዚ ዞባ ሰፊሕ ናይ ልምዓት ዞባ ንክኸውን ልዑል ድልየት ስለዘለዎም፡ ላዕላዋይ ጉጅለ ልኡኽ፡ ሎሚ ንጅቡቲ ተጓዒዙ`ሎ- እዚ ድማ ዓቢይ ብስራት፡ ዓቢይ ዜና፡ ንምሉኣት ህዝብታት ቐርኒ ኣፍሪቃ ዘሐጉስ`ዩ። ጉዳይ ጅቡትን ኤርትራን`ውን ልክዕ ከም ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሰላም ተዛዚሙ እቲ ዞባ ካብ ኩናት ካብ ግጭት ካብ ቂም ናጻ ኾይኑ ናብ ልምዓት ዝሰጋገረሉ ሰፊሕ ማዕጾ ዝኸፈተ`ዩ።” ብዝተሓሓዝ ኤርትራን ጅቡትን ምሕዝነተን ናብ ንቡር ክመልሳ ምስምምዐን ተለቪዥን ኢትዮጵያ ንሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ`ታ ሃገር ብምጥቃስ ኣፍሊጡ`ሎ። ኣብ` ጅቡቲ ዝርከብ ሚንስተር ወጻኢ ወርቅነህ ገበየሁ፡ እቲ ምሕዝነት፡ ሓደ ታሪኻዊ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት`ዩ ኢልዎ`ሎ። ናይ ኤርትራ ሚንስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብወገኑ ኣብ ዝለኣኾ ናይ ትዊተር መልእኽቲ፡ ፕረዚደንት ጅቡቲ ዖማር ገለ፡ ንጻውዒት ሰላም ፕረዚደንት ኢሳያስ ከምዘመስገንን፡ ጅቡቲ ምስ ኤርትራ ንዕርቅን ንቡር ምሕዝነትን ድልውቲ ከምዘላን ምግላጹ ጠቒሱ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8C%85%E1%89%A1%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%B0%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%89%A1%E1%88%AD-%E1%8A%AD%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B3-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%90%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4560804.html"} {"headline":"ምስሕሓብ ኣቶ ብርሃኑ ኣባዲን ቤት ፅሕፈት ህውሓትን (ቀዳማይ ክፋል)","content":"ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ካብ ስርሑ ዝተለዓለ ኣካያዲ ስራሕ ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ጋዜጠኛን ደራሲን ብርሃኑ ኣባዲ ወግዓዊ ናይ መሰናበቲ ደብዳቤ ንልዕሊ 10 መዓልታት ተጸብዮ ስለዘይበፅሐኒ ናብ ምኽትል ርእሰ ኣማሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶ\/ር ደብደፅዮን ገብረሚካኤል ናይ ስራሕ መልቀቒ ደብዳበ ፅሒፈ ይብል። ኣቶ ብርሃኑ \"ኣብ ዝኾነ ይኹን ናይቲ ትካል መምርሕን ኣዋጅን ዘየለ ብቤት ፅሕፈት ህውሓት ዝመራሕ ኮሚቴ ሚዲያ ኣብ መዓልታዊ ስራሕና ጣልቃ እናኣተወ ከስርሐና ኣይክኣለን’’ይብል። ኣባል ፖሊት ቢሮ ህውሓትን ምኽትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህውሓትን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ግን ናይ ሚዲያ ኮሚቴ ሓፈሻዊ ኣንፈት ካብ ምትሓዝ ወፃኢ ኣብ መዓልታዊ ስራሕ ኣይኣትውን፤ኣቶ ብርሃኑ ኣባዲ ካብ ሓላፍነቱ ዝተለዓለ ድማ እቲ ዝድለ ለውጢ ስለዘየምፅአ እዩ ኢሎም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/controversy-on-the-firing-of-the-general-manager-of-tigray-mass-media-agency\/4560671.html"} {"headline":"ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ብሰንኪ ግጭት ዕጡቓት ካብ መዕቆቢ ስደተኛታት ሕ\/ሃ ሃዲሞም","content":"ኣብ ዋና ከተማ ሊብያ ብዝተላዕለ ግጭት ካብ መዕቖቢ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝሃደሙ ስደተኛታት ብሶሉስ ናብ ኣብታ ከተማ ዝርከብ ካልእ መዕቖቢ ከምዝተወስዱ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብታ ሃገር ዝርኸብ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ብሶሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ተዋጋእቲ ወገናት ስምምዕ ተኹሲ ደው ንምባል ምፍርራሞም ሓቢሩ ኣሎ። ሕቡራት ሃገራት ኣብ መግለጺኡ ብተወሳኺ በቲ ግጭት ኣስታት 50 ሰባት ምሟቶም ገሊጹ’ሎ። No media source currently available “ እቶም ስደተኛታት ኣብ ጎደናታት መጠር ዝተባህለ ቦታ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ብዝተላዕለ ግጭት ካብ መዓስከር ስደተኛታት ሓምዛ ሃዲሞም ናብ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ እታ ሃገር ዝርከብ ኪርምያ ዝተባህለ ኣውራጃ ዝርከብ ናይ ሕርሻ ቦታ ከምዝኸዱን ካብኡ ድማ ብሶሉስ ናብዚ ኣብ ጥቓ መዓርፎ ነፈርቲ ዝርከብ ካልእ መዓስከር ስደተኛታት ተመሊሶም ኣለው” ክብል ኣሕመድ ካሙን ዝተባህለ አባል ጸጥታ ሊብያ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ሊብያ ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳ ንዝስደዱ ስደተኛታት ቀንዲ መናሃሪ ቦታ ኮይና ምጽንሓ ይፍለጥ። ካብቶም ስደተኛታት ሓደ ኤርትራዊ ዑመር ዓብዱላሂ ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ከምዚ ይብል። “ተኹሲ ለይቲ’ዩ ጀሚሩ። ሓሙሸተ ሰባት ተሃሪሞም፡ ንግሆ ድማ ክልተ ካልኦት ተሃሪሞም።ክፍሊ መሕጸቢ ሰብነት የብሉን። ንኣርባዕተ ሓሙሽተ መዓልታት ኣይተሓጸብናን። ንኣመሓዳሪ’ቲ መዕቖቢ ስደተኛታት ብዛዕባ’ዚ ሓቲትና ኔርና ግን መልሲ ኣይሓበናን። ስለዚ ሃዲምና ናብዚ እንዳመጻእና’ውን ሓደ ተሃሪሙና’ዩ”ይብል። መብዛሕትኦም እዞም ስደተኛታት መራኽቦም ካብ ማእከላይ ባሕሪ ብሓለዋ ባሕሪ ተታሒዘን ናብ ሊብያ ዝተመልሱ እዮም። ግጭት ኣብ መንጎ ዕጡቓት ካብ ዝጅምር ካልኣይ ሰሙኑ የቑጽር ኣሎ። ሕቡራት ሃገራት እቶም ዕጡቓት ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ምፍርራሙ እንተገለጸ እቲ ስምምዕ ብኸመይ ከምዝትግበር ዝፍለጥ ነገር የለን ምክንያቱ ኣቐዲሞም ዝተበጽሑ ስምምዓት’ውን ዘይምትግባሮም ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%88%9B%E1%8A%A2%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%91%E1%8C%B8%E1%88%A9-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%95%E1%89%86%E1%89%A2-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%88%83%E1%8B%B2%E1%88%9E%E1%88%9D\/4560489.html"} {"headline":"'ፍቕሪ ስዒሩ' ብካሕሳይ በርሀን ሰሎሞን ባይረን (2ይ ክፋል)","content":"'ፍቕሪ ስዒሩ!' ናይ'ዚ ዘበና ምርጽቲ ደርፊ ሒዞም ኣብ ኣደባባይ ዝወጹ ኪነ ጥበባዊያን ኤርትራዊ ካሕሳይ በርሀን ኢትዮጵያዊ ሰለሞን ባይረን ነታ ደርፊ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ኣማሓይሾምን ከሺኖምን ናብ ህዝቢ ከምዘቕረቡ ይዛረቡ። ኣገራሚ'ዩ! ማዕዳ'ውን ኣለዎም። ንግጥምታት'ታ ደርፊ ዘዳለወ ገጣሚ ምስግና ኣረጋይ'ውን ጋሻና ኮይኑ'ሎ። ገለ ካብ ግጥምታት 'ፍቕሪ ስዒሩ' ክንወከሰኩም፣ ፍቕሪ፣ ፍቕሪ፣ ፍቕሪ ስዒሩ፣ ፍቕሪ፣ ጸግዒ ሓዘልና ጽልኢ። ፍቕሪ፣ ፍቕሪ፣ ፍቕሪ ስዒሩ፣ ፍቕሪ፣ ታይ ይሳኣኖ ፈጣሪ። ሰላምና የብዛሓዮ ንዘልኣለም፣ ኣብነት ኮይና ንዓለም። ፍቕሪ እንተሃልዩ ዘይብጻሕ የለን። ደጊም ጽልኢ ውጻእ፣ ፍቕሪ እቶ፣ ከም’ታ ቀደምና ኣብ ራህዋን ጸበባን ንተሓዋወስ ንፋቶ። ሓሊፉ’ወ ኩሉ፣ ሰላም ኮይኑ። ደቂ ክልተ አደ፣ ደቂ ሓደ ርባ፣ ላዕላይ ታሕታይ ዓዲ፣ መካፍልቲ ጸባ፣ ናይ ኣሕዋት ዘረባ። ዘይከም’ዚኣ እንታይ ደልየ፣ ዘይከምዚኣየ፣ ባህገይ ሰሚሩለይ፣ ሰላም ሪኤየ። ተወሊዑ’ዶ ፋኑስ ተወሊዑ’የ፣ ፈጣሪ ጸሎትና ሰሚዑ’የ። No media source currently available No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/solomon-bayre-kahsay-berhe-at-mekelle-ashenda\/4559301.html"} {"headline":"4 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ሓድሽ ገንዘብ ናይ ምትሕልላፍ መስርሕ ጀሚረን","content":"WorldRemit ዝተባህለ ዓለምለኸ ኩባኒያ መልኣኺ ገንዘብ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ምብራቅ ኣፍሪቃ ብኦንላይን ገንዘብ ናይ ምልኣኽን ምቕባልን ኣገልግሎት ጀሚሩ።ተንተንቲ ብወገኖም እቲ ኩባኒያ ናይ መልኣኺ ክፍሊት ብምጉዳል ንንግድን ቁጠባን ኣፍሪቃ ከሐይል እዩ ይብሉ። ኣፍሪቃ ንኩባንያታት ለኣኽቲ ገንዘብ ምቹእ ዕዳጋ ዘለዋ ሃገር ትኸውን ኣላ። ኣብ ብሪጣኒያ ዝመደብሩ ኩባኒያ መተሓላለፊ ገንዘብ WorldRemit ኣብ ቀረባ ጊዜ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ኬንያ፣ኡጋንዳ፣ታንዛኒያን ሩዋንዳን ሓድሽ ዲጂታላዊ ኣገልግሎት ጀሚሩ’ሎ።እቲ ኩባኒያ በብዓመቱ እንተወሓደ 1.6 ቢሊዮን ዶላር ከመሓላለፍ ተኽእሎ ኣለዎ። መስራትን ሓላፊን WorldRemit ኢስማዒል ኣሕመድ ከምዚ ይብል። “ኣገልግሎት ክንጅምር ከለና 99 ሚእታዊት ተቐበልቲ ይኹኑ ልኣኽቲ ጥረ ገንዘብ ይጥቀሙ ነይሮም።ሎሚ ግን ብቕልጡፍ ይለውጥ ኣሎ፤ኣብ ዝቕፅሉ ሒደት ዓመታት ድማ ኣስታት 50፣60 ሚእታዊት ዓለምለኸ ምልኣኽ ገንዘብ ካብቲ ልሙድ ጥረ ገንዘብ ናብ ዲጂታል ክሰጋገሩ እዩ ።ነዚ እውን ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት ናትና ኣገልግሎት ብቕልጡፍ ይዓቢ ዘሎ።” እቲ ምልኣኽ ዲጂታላዊ ብዝኾነ ቁፅሪ ዋጋ መልኣኺ ገንዘብ ክወርድን ንምክትታል ድማ ቀሊልን ክኸውን እዩ ኢሎም። ኣብ ዩኒቨርስቲ ናይሮቢ መምህር ዓለምለኸ ጉዳያት ቁጠባ ገሪሾን ኢኪያራ እቲ ናይ ገንዘብ መልኣኺ ኣገባብ ኣብ ኣፍሪቃ ንግዲ ከደንፍዕ እዩ ኢሎም።ፀገም ሓይሊ መብራህትን ናይ ቴሌኮምኒኬሽን መሰረተ ልምዓትን ግን ኣፀጋሚ ይገብሮ ኢሎም። ብመሰረት ባንኪ ዓለም ኣብ 2017 ዓ.ም ኣብ ወፃኢ ካብ ዝነበሩ 37.8 ቢሊዮን ዶላር ናብ ኣፍሪቃ ተላኢኹ’ሎ።ኣብዚ ዓመት ድማ ናብ 39 ቢሊዮን ዶላር ክውስኽ ትፅቢት ይግበር። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%89%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%8C%88%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%89%A5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%88%95%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%8D%8D-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A8%E1%8A%95\/4559266.html"} {"headline":"መራሕቲ ኤርትራ፡ኢትዮጵያን ሶማልን ንሱሉሳዊ ኣኼባ ኣብ ኣስመራ ተራኺቦም","content":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ወደብ ዓሰብን ባጽዕን ዘካየድዎ ዑደት ዛዚሞም ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣስመራ ኣትዮም ኣለው። ንሶም መዓርፎ ነፈርቲ ወደብ ዓሰብ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከምዝተቐበልዎም ተፈሊጡ’ሎ። ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ወደብ ዓሰብን ካብቲ ወደብ ናብ ዶብ ኢትዮጵያ 71 ኪ.ሜ ርሕቐት ንዘለው ጽርግያ ቡሬ ድሕሪ ምዕዛብ ናብ ወደብ ባጽዕ ብምምራሕ ናይ ኢትዮጵያ መርከብ ኣብ ቢሻ ዝፈረየ ማዕድን ዚንክ ክትጽዕን ከላ ምዕዛቦም ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብቲ ቦታ ሓቢሩ። No media source currently available ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ናይ ወደብ ኣገልግሎትን ትሕቲ ቅርጺን ንምምሕያሽ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ብምምጓስ ክልቲኦም ወገናት ንነጥብታት ኣዋጅ ሓባራዊ ሰላምን ምሕዝነትን ንምትግባር ዝካየድ ጻዕሪን ምዕባለን ዘርእይ እዩ ኢሎም። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ኣብ መንጎ መራሕቲ ኤርትራ፡ኢትዮጵያን ሶማልን ዝኻየድ ሱሉሳዊ ርኽብ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ኣስመራ ምእታዎምን ንሶም ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝ ኣተውሉ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ከምዝተቐበልዎም ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ኣስመራ ሓቢሩ'ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%B1%E1%88%89%E1%88%B3%E1%8B%8A-%E1%8A%A3%E1%8A%BC%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%8A%B8%E1%89%A1-%E1%88%9D%E1%8A%B3%E1%8A%96%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4558579.html"} {"headline":"ጋንታ ስሑል ሽረ ናብ ፕሪምየር ሊግ ሓሊፋ","content":"ኣብ ላዕላወይ ሊግ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ትሳተፍ ዝከረመት ጋንታ ስሑል ሽረ እንዳስላሰ ናብ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ምሕላፋ ሎሚ ኣረጋጊጻ። ጋንታ ሽረ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ስታድየም ሃዋሳ ምስ ጋንታ ጂማ ኣባ ቡና ተጋጢማ 2 ን 1 ተዓዊታ ኣላ። ብመሰረት’ዚ ውጽኢት’ዚ ጋንታ ሽረ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ኣትያ ክትወዳደር’ያ። ካብ ትግራይ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዝሳተፋ ክልተ ጋንታታት፣ ከተማ መቐለን ዩኒቨርስቲ ወልዋሎ ዓዲግራትን’ውን ከምዘለዋ ዝዝከር’ዩ። እዚ ማለት ትግራይ ሰለስተ ጋንታታት ኣብ ፕሪምየር ሊግ ክትውከል’ያ። ጋንታ ስሑል ሽረ ናብ ፕሪሜር ሊግ ኢትዮጵያ ምሕላፋ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትግራይ ህዝቢ ታሕጓሱ ይገልጽ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/shul-shire-promoted-to-premier-leage-in-ethiopia\/4557698.html"} {"headline":"ብፕረዚደንት ማሕበር ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ኤርትራ ምብጻሕ አካይዱ","content":"ብፕረዚደንት ማሕበር ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ኤርትራ ብምብጻሕ ምስ ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ ኣብ ክልቲኣዊ ዝምድና ዘተኮረ ኣኼባ ሎሚ ሶሉስ ኣብ ኣስመራ ኣካይዶም። ብፕረዚደንት ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣቶ ካሳሁን ፌሎ ዝምራሕ 44 አባላት ዘለዎ ጉጅለ ልኡኽ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ ንወደብ ባጽዕ፡ ገለ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ፋብሪካታትን ፌስቲቫል ኤክስፖን ምብጽሖም ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/4557512.html"} {"headline":"ኣብ ምዕራብ ጉጂ ብዝተፈጥረ ግጭት ንብረቶም ዝዓንዎም ሰብ ሃብቲ ዘቕረብዎ ጥርዓን ይጽናዕ ከምዘሎ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ጉጂ ወረዳታት ቀርጫ፣ሃምባላን ዋማን ኣብዝተፈላለዩ ጣቢያታት ብሰንኪ ዝተፈጥረ ግጭት ንብረቶም ዝዓነዎም ሰብ ሃብቲ ኣቕረብቲ ቡን ዘቕረብዎ ማመልከቻ ኣብ ቀረባ መዓልታት ከምዝበፅሖን ዝርዝር ናይቲ ጥርዓን ይፅናዕ ከምዘሎን ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኣፍሊጡ። እቲ ኮሚሽን ክሳብ ሎሚ ተመሳሳሊ ሽግር ንዘጋጠሞም ሰብ ሃብቲ ዝሓገዞ ልዕሊ 1.16 ቢሊዮን ብር ከምዝበፅሐ ኣማኻሪ ናይቲ ኮሚሽን ኣቶ ይስፋልኝ ወልደኣማኑኤል ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም ኣለው። ዝተሓፀበን ደረቕን ቡን ብምቕራብ ክሰርሑ ዝፀንሑ ተወልደቲ ገድዮን ዝኾኑ 27 ሰብሃብቲ ኣብቲ ከባቢ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ግጭት ምዝንባሎምን ንብረቶም ምዕናውን ብምሕባር መንግስቲ ካሕሳ ክኸፍሎም ንቀዳማይ ሚንስትር ጥርዓን ኣቕሪቦም ኣለው። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8C%82-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%A8-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8B%93%E1%8A%95%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%8B%98%E1%89%95%E1%88%A8%E1%89%A5%E1%8B%8E-%E1%8C%A5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%8C%BD%E1%8A%93%E1%8B%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4557543.html"} {"headline":"ሩስያ ኣብ ወደብ ኤርትራ ሎጅስቲካዊ ማእከል ንምህናጽ ዘለዋ መደብ ኣፍሊጣ","content":"ዲፕሎማስያዊ ርክበን ሩስያን ኤርትራን ይዓብይ ምህላው ተገሊጹ። ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ወደብ ኤርትራ ሓደ ማእኸል ሎጅስቲክ ንምህናጽ ዘለዋ ውጥን ‘ውን ኣፍሊጣ አላ። ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተገብረ ማዕቀባት’ውን ክለዓል ኣለዎ ኢሎም ኣለው። ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ምስ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኻት ኤርትራ ኣብ ዝተዘራረበሉ እዋን ብዛዕባ’ቲ ሩስያ ኣብ ወደብ ኤርትራ ክትሃንጾ ዝመደበቶ ማእከል ሎጅስቲክ ምግላጾም መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ሩስያ(RIA) ሓቢሩ’ሎ። ብዛዕባ ዓቐንን ዝህነጸሉን ጊዜን ቦታን እቲ ክስራሕ ዝተወጠነ ማእከል እንተዘይተገልጸ’ዃ፡ እዚ ሓባራዊ ዝምድነኣን ንምስፋሕ ክሰርሓ ንዝጸንሓ ክልቲኣን ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ርክብ አገዳሲ ምዕባለ ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%A9%E1%88%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%8B%B0%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%8E%E1%8C%85%E1%88%B5%E1%89%B2%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8D-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%85%E1%8A%93%E1%8C%BD-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8B-%E1%88%98%E1%8B%B0%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A3\/4557337.html"} {"headline":"ፈጻሚ ስራሕ ውድብ ዓረና ምዱብ ኣኼብኡ ኣቓኒዑ","content":"ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ዓረና ንሉአላዊነትን ዴሞክራሲን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበትን ስሩዕ ኣኼብኡ ኣካይዱ። ኣብቲ ኣኼባ ኣፈፃፅማ ስራሕ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እቲ ውድብን ፓለቲካዊ ሃገራዊ ኩነታት እቲ ኮሚቴ ገምጋም ምክያዱ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት እቲ ውድብ ኣይተ ዓምዶም ገብረስላሴ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ተዛሪቦም። እቲ ኮሚቴ ኣብ ኣኼብኡ ብብርኪ ሃገር ንፓለቲካዊ ምንቅስቓስ ምቹእ ኩነታት ምፍጣር ምጅማሩ፤ ብኣንፃሩ ግና ኣብ ክልል ትግራይ እዚ ኣካይዳ ዝሑል እዩ ኢሎም። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርአ ብሄር ተኮር መጥቃዕቲ ምፍፃምን ናይ ጉጅለ ፍትሒ እውን እቲ ውድብ ከምዝኹንኖ እውን ተገሊፁ። No media source currently available ኣብ ከይዲ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ጠሚቱ ዘተ ከምዝተኻየደ ዝገለፁ ኣይተ ዓምዶም እቲ ከይዲ ሰላም እቲ ውድብ ከምዝድግፎን ብተወሳኺ እዚ ከይዲ ሰላም ህዝቢ ማእኸል ብዝገበረ መስርሕ ክፍፀም ከምዝግባእ ይኣምን ኢሎም። ብዶክተር አረጋዊ በርሀ ምስ ዝምራሕ ውድበ ዴሞክራስያዊ ምትሕብባር ትግራይ ድማ ውህደት ወይ ድማ ግንባር ንምፍጣር ዘተ ተጀሚሩ ኣሎ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%88%E1%8C%BB%E1%88%9A-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%8A%93-%E1%88%9D%E1%8B%B1%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8A%BC%E1%89%A5%E1%8A%A1-%E1%8A%A3%E1%89%93%E1%8A%92%E1%8B%91\/4557304.html"} {"headline":"ኣብ ደቡባዊ ክልል ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ምንሽርታት መሬት 12 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ደቡባዊምዕራብ ኢትዮጵያ ሎሚ ሶሉስ ብዘጋጠመ ምንሽርታት መሬት 12 ሰባት ምሟቶም መራኸቢ ብዙሃን’ታ ሃገር ሓቢሮም። እቲ ምንሽርታት መሬት ኣብ ኢስራ ዝተባህለ ከባቢ ደቡብ ክልል ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብ ዘጋጠመ ምዃኑን ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት ምቁሳሎም’ውን ተገሊጹ ኣሎ። ብመሰረት ካብ ሓላፊ ፖሊስ’ቲ ከባቢ ዝረኸቦ ሓበሬታ “ሬሳ ዝሞቱ 10 ሰባት ከምዝተረኽበን ናይቶም ክልተ ግን ይድለ ከምዘሎ” ፋና ብሮድካስቲንግ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ክረምቲ ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብ ምንሽርታት መሬት ብተደጋጋሚ ዝጋጥም ምዃኑን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት’ውን ኣብ ደቡብ ክልል ብሰንኪ ተመሳሳሊ ሓደጋ 32 ሰባት ምሟቶም ይፍለጥ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%88%BD%E1%88%AD%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%AC%E1%89%B5-12-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/4557290.html"} {"headline":"ዑደት ኣክቲቪስት ኣብ ክልል ትግራይ","content":"ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣስታት 20 ኣክቲቪስት ተጋሩ ኣብ ሓሙሽተ ወረዳታት ትግራይ ዑደት ኣካይዶም ነይሮም። እቶም ኣከቲቪስት ድሕሪ ዑደቶም ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ህዝብን መሬትን ትግራይ ዝሓሸ ደገፍ ኣመራርሓ እንተረኺቡ ቅልጡፍ ለውጢ ከምፅእ ከምዝኽእል ተዓዚብና ይብሉ። ኣብቲ ዑደት መነባብሮ ሕብረተሰብ ሐዚ እውን ከምዘይተለወጠ ተዓዚብና አለና ኢሎም። እቲ ዑደት ፀጋታትን ፀገማትን ትግራይ ብውስን መልክዑ ክንፈልጥ ኣኽኢሉና ክብሉ ተዛሪቦም። ዑደት እቶም ኣክቲቪስትን ርእይቶኦምን ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8A%AD%E1%89%B2%E1%89%AA%E1%88%B5%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD\/4556114.html"} {"headline":"ስነ ስርዓት ኣቐባብላ ኣርቲስትን ኣክቲቪስትን ታማኝ በየነ ኣብ ከተማ ባህርዳር","content":"ድሕሪ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ስደት ናብ ሃገሮም ይምለሱ ካብ ዘለው ኣርቲስታትን ኣክቲቪስታትን ታማኝ በየነ ሎማ ሶኑይ ባህርዳር ኣብዝኣተወሉ እውን ድሙቕ ኣቀባብላ ከምዝተገብረሉ ተፈሊጡ። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ባህርዳር ድሙቕ ኣቀባብላ ዝገበርሉ ታማኝ በየነ ህዝቢ ኣምሓራ ክልል የብሉን ኢሉ። “ኣምሓራ ክልል የብሉን።ክልሉ ኢትዮጵያ እዩ።ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ ኢትዮጵያዊነት እዩ።ኢትዮጵያ ከም ኢትዮጵያ ክትቕፅል ኣብ ዶብ ዓፅሚ ኮይኑ፤ሓመድ ኮይኑ ኢትዮጵያ ሃኒፁ ኣረኪቡ እዩ።” ብዛዕባ ኢትዮጵያዊነት ዝተዛረበ ንሱ ኣምሓራ ብጨዋነቱ ብምኽንያታዊነት ምልዛብ እምበር ኣይትምፅኡኒ ማለት ናይ ፀቢብነት ምልክት እዩ ኢሉ።ንህዝቢ ትግራይ ብጅምላ ምፅላእ ኢትዮጵያዊ ጨዋነት ኣይኮነን ክብል እውን መልእኽቱ ኣሕሊፉ። “ንኢትዮጵያዊ ህዝቢ ትግራይ ምቕያም፣ምፅራፍ፣ከም ፀላኢ ምርኣይ ኢትዮጵያዊ ባህሪ ኣይኮነን።ካብ ውሽጡ ዝወፁ ክፉኣት ክጥዕሞም ከሎ ከም ጅግና ናብ ቅድሚት ይመፁ፤ኣጥፊኦም ክትሓዙ ከለው ትግራይ ኢና ኢሎም ይኣትው።ከምዚ ከዋቕዑ ከለው ነፂልኩም ኦ ህዝቢ ትግራይ ሓውካ፤ኣሓት፣ኣቦ፣ኣደ ሓደ ኢትዮጵያዊን ወገናት ኢና።ካብኹም ዝቦቐሉ ሕማቓት ከምዘለው ካባና ዝቦቕሉ ሕማቓት እውን ኣለው።ብሰንኮም ገመድ ኢትዮጵያዊነትትና ኣይብተኽን እዩ በሉዎም ኢኹም።” እንተዘይኮኑ ግን ኣነ ታማኝ ብሰንኪ ዘጥፋእኹዎ ኩሉኹም ተሓተቲ ክትኾኑ ኢኹም ከም ማለት ስለዝኾነ ናይ ሓባር ገዛና ዝኾነት ኢትዮጵያ ብሓባር ንህነፅ ክብል ፀዊዑ። ዘጠፍኡ ናብ ሕጊ ክነቕርብ እምበር ብኢድና ሕነ ኣይንፈድን፤ኢትዮጵያዊያን ናይ ሕጊ ሰባት ስለዝኾና ኢሉ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝለዓለ ኣቀባብላ ዝተገብረሉ ታማኛ በየነ ትማሊ ምሸት እውን ኢትዮጵዊነት ብሓባር ንምሕያልን ዝሰብኽ መደረ ኣብ ሚሊኒየም ኣዳራሽ ኣስሚዑ’ሎ። ብተመሳሳሊ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ብርክት ዝበሉ ኣክቲቪስታትን መራሕቲ ፖለቲካን ኣብ ከተማ ባህርዳር ምእታዎም ተፈሊጡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%90%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%8B-%E1%8A%A3%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8A%AD%E1%89%B2%E1%89%AA%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%89%B3%E1%88%9B%E1%8A%9D-%E1%89%A0%E1%8B%A8%E1%8A%90-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%AD%E1%8B%B3%E1%88%AD\/4555942.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ተራኺቦም:ተዘራሪቦም","content":"ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ትማሊ ሰንበት ኣብ ቤይጂንግ ተራኺቦም: ተዘራሪቦም። ኣብቲ ርክብ ፕረ. ሺ ጂንፒንግ ኢትዮጵያ አገዳሲት አካል'ቲ ኣብ መንጎ ኣፍሪቃን ቻይና ዘሎ ክልቲኣዊ ዝምድና ምዃናን እቲ ዝምድና ናብ ኣጠቓላሊ ምትሕብባርን አጋርነት ክብ ምባሉ ገሊጾም። ንሶም ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ኣብቲ ኣፍሪቃ ምስ ካልኦት ኣህጉራት ንምርኻብ ዝካየድ ዘሎ ተበግሶ ናይ ቀለቤት መንገዲ ንዘለዋ ተሳትፎ ንዒዶም። ቀ\/ሚ አብይ ኣሕመድ ብወገኖም ቻይና ኣብቲ ኢትዮጵያ ተኻይዶ ዘላ ህንጸት ሃገር፥ ቁጠባዊ ምዕባለ እምንቲ መሓዛ ብምዃና ኣመስጊኖም። ብተወሳኺ ዋዕላ ቻይና ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ኣፍሪቃን ቻይናን ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ቻይናን ንሓባራዊ ምዕባለን ምትሕብባርን ዓወትን ዘመላኽት ከምዝኸውን ሓቢሮም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%89%BB%E1%8B%AD%E1%8A%93-%E1%88%BA-%E1%8C%82%E1%8A%95%E1%8D%92%E1%8A%95%E1%8C%8D-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/4555717.html"} {"headline":"ሰልፊ ተቓውሞ ኤርትራዊያን ኣብ ጀነቫ","content":"ካብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ዝተአኻኸቡ ኤርትራዊያን ሎሚ ኣብ ጀነቫ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዶም። ድምጺ ኣሜሪካ ካብ አዳለውትን ተሳተፍትን ኣዘራሪቡ'ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8D%E1%88%9E-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%80%E1%8A%90%E1%89%AB\/4553218.html"} {"headline":"ሃገራዊ ፌስቲቫል ኤርትራ 2018 ተኸፊቱ","content":"ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ “ሰላም ንዘላቒ ዕብየት” ብዝብል ቴማ ሎሚ 31 ነሓሰ ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ- ኣስመራ ብፕረዚደንት ኢሳያይስ ኣፈወርቂ ብወግዒ ተኸፊቱ። ኣብቲ ስነስርዓት ላዕለዎት ሰበስልጣን ኤርትራን ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታትን ዝተረኽብሉ መኽፈቲ ፡ነቲ ቀሪቡ ዘሎ ዝተፈላለየ ትሕዝቶ ዘለዎ ምርኢት ተዘዋዊሮም ተዓዚቦሞ። ኣካያዲ ስራሕ ቤ\/ጽ ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት ኣቶ ተስፋይ በርሀ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ፌስቲቫል ንህልዉ ትስፍው መድረኽ ሰላም ከንጸባርቕ ተባሂሉ “ሰላም ንዘላቒ ዕብየት” ዝብል ቴማ ከምዝተዋህቦ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8D%8C%E1%88%B5%E1%89%B2%E1%89%AB%E1%88%8D-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-2018-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%8D%8A%E1%89%B1\/4552870.html"} {"headline":"አዲስ አበባ: ዘተ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ኢትዮጵያ","content":"ፖለቲካዊ ፓርትታት ኢትዮጵያ ምክፍፋል ኣወጊዶም ሓድነቶም ከፅንዑ ፃውዒት ቐሪቡ።ነዚ ፃውዒት ዘቕረቡ ኣብ ቀረባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝተዳለወ ዘተ ዝተሳተፉ ፖለቲካዊ ፓርትታት እዮም። ኦሮሚያ ሚዲያ ኔት ዎርክ\/OMN\/ ‘’ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ለውጢ ክቕፅል ተራ ፖለቲካዊ ፓርትታት እንታይ ክኸውን ኣለዎ’’ ብዝብል ኣርእስርቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሂልተን ሆቴል ኣብ ዘዳለዎ ዘተ ልዕሊ 30 ሃገራውን ክልላውን ፖለቲካዊ ፓርትታት ተሳቲፎም። ዳይረክተር ናይ ኦሮሚያ ሚዲያ ኔት ዎርክ ጀዋር መሓመድOMN ድምፂ ኦሮሞ ንምዃን እንተተበገሰ እውን ኦሮሞ ንበይኑ ለሚዑ ኣብ ዝበፅሖ ስለዘይብሉ ዝሓሸት ናይ ሓባር ሃገር ንምህናፅ ንኹሉ ዘሳትፍ ክኸውን እዩ ኢሉ ። “ተቓወምቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ተፅዕኖ ግበሩ።ድራር ተጋቢዝኩም ፎቶ ተላዒልኩም ጥራሕ ኣይትውፅኡ።OMN ድምፂ ህዝቢ ኦሮሞን ኦሮሚያን ምዃኑ ክንሕስወኩም ኣይንደልን፤ግልፂ እዩ።ግን ድምፂ ህዝቢ ኦሮሞ እናተሰምዐ ናይ ካሊእ ህዝቢ ድምፂ ዘይስማዕ እንተኾይኑ፣መሰል ህዝቢ ኦሮሞ ተሓሊዩ ናይ ካሊእ ዘይኽበር እንተኾይኑ መሰል ዝብሃል ነገር የለን።” ኣቶ ጃዋርዋና ናይ ኩሉ ሓሳባት ዘሳትፍ መድረኻት ንክኸውን ክንሰርሕ ኢና ኢሉ። ፀሓፊ ኦነግ ኣቶ ኣሚን ጁንዲ ነቲ ለውጢ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ኣለና ኢሎም። “ናይ ቄሮታት፣ናይ ፋኖታት፣ናይ ወፃእን ውሽጥን ፖለቲካዊ ውድባት፣ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ካብ ዘለው ናይ ውሽጢ ሓርበኛታት ዝመፀ ናይ ኩልና ለውጢ ስለዝኾነ ብሓደ ቋንቋ ክንድግፎ ይግባእ።” ኣብ መንጎ ህዝብታት ሰላምን ምፍቕቓርን ክቕፅል ምስራሕ ሓላፍነት ኩለን ፓርትታት እዩ እውን ኢሎም ኣቶ ኣሚን። ‘’ኣነ እንተዘይመሪሐ’’ ዝብል ፖለቲካዊ ፓርታት ዝወልድን ዘርባሕን ኣካይዳ ክነወግድ ኢና ዝበሉ እውን ነይሮም። ምኽትል ኣቦ ወንበር ዓረና ትግራይ ኣይተ ጎይትኦም ፀጋይ ኣብ መብዛሕቲኡ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ለውጢ ኣብ ትግራይ ኣሎ ክብሃል ኣይክእልን ኢሎም። “ንነዊሕ እዋን ኣብ ክንጠፋፋእ ኢና ፀኒሕና።ነዚ ክቕፅይር ዝኽእል ሒዞም ብምምፅኦም ሕጉስ እየ።ከም ትግራዋይ ኣብኡ ይፍፀሙ ዘለው ግን ዘሕዝኑ እዮም።ኣብ ቀረባ ብገጀራን ብፋስን ዝተውቕዑ ኣባላትና ኣለው።ኣብ ካሊእ ቦታ ነፃነት በዚሑዎምስ ናብ ዘይሕጋዊ ተግባራት እናኣተው ዕንቅፋት ይፈጥሩ ኣለው።ሓቂ እዩ ኣብ ክልልና ዘይሕጋውነት ኣሎ፣ነፃነት የለን።ዘይሕጋዊ ተግባራት ይፍፅሞም ዘሎ ግን መንግስቲ እዩ።” ካልኦት ፖለቲካዊ ፓርትታት እውን ነቲ ለውጢ ብጥንቃቐ ክትሓዝ ኣለዎ ኢሎም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-\/4552850.html"} {"headline":"ሊብያ: ብሰንኪ ግጭት ዕጡቓት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ካብቲ ተዓቑቦምሉ ዝነበረ መዓስከር ምግዓዞም ሕ\/ሃ ኣፍሊጡ","content":"ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ካብ መዕቆቢ ስደተኛታት ሊብያ ናብ ካልእ ቦታ ምግዓዞም ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ እቶም ስደተኛታት ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት’ታ ሃገር ብዝተኻየደ ግጭት ሓለውቶም ገዲፎሞም ካብቲ ቦታ ምስዋሮም በቲ ግጭት ድማ 27 ሰባት ምሟቶም ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣብቲ ቦታ ዝንቀሳቀሱ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ሓቢሮም። መብዛሕትኦም እቶም ስደተኛታት ኤርትራዊያን ኢትዮጵያዊያንን ሶማልያዊያን ምዃኖም ካብቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ዝመሓደር መዕቆቢ ስደተኛታት ናብ ዝሓሸ ቦታ ከምዝተወስዱ ተሓቢሩ’ሎ። No media source currently available ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኣብ ዘውጽኦ መገልጺ እቲ ትካል ምስ ካልኦት ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ብምትሕግጋዝ ነቶም ስደተኛታት ካብ ኤን ዚን ከምዘግዓዙ ሓቢሩ’ሎ። ኣብቲ ግጭት 27 ሰባት ምሟቶምን 91 ምቁሳሎም መብዛሕትኦም ዝተጎድኡ ድማ ሰላማዊያን ሰባት ምዃኖም ሚኒስትሪ ጥዕና’ታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ቀዳማይ ሚንስትር ፋይዝ ኣል ስራጅ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ትሪፖሊ ግጭት ምቅጻሉን ብዙሓት ሰባት ድማ ኣብ መንበሪኦም ተቀርቂሮም ከምዘለው ገሊጹ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%88%9B%E1%8A%A2%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%91%E1%8C%B8%E1%88%A9-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%89%91%E1%89%A6%E1%88%9D%E1%88%89-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%B5%E1%8A%A8%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%8B%93%E1%8B%9E%E1%88%9D-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4552370.html"} {"headline":"ቁጽሪ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝረኽቡ ስደተኛታት ህጻናት የንቋልቁል ኣሎ ክብል ሕ\/ሃ ሓቢሩ","content":"ኣብ መላእ ዓለም ምስ ዝውስኽ ዘሎ ቁጽሪ ካብ መነባብርኦም ዝመዛበሉ ዜጋታት ቁጽሪ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝረኽቡ የንቆልቁል ምሕላው ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ብመሰረት ሓበሬታ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ልዕሊ 4 ሚልዮን ስደተኛታት ህጻናት ኣገልግሎት ትምህርቲ ኣይረኽቡን። እዚ ቁጽሪ ድማ ካብ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር ኸሎ ብልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ምውሳኹ እቲ ትካል ይገልጽ። ሓንቲ ካብቶም ውሑዳት ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝረኸቡ ጓል 15 ዓመት ሪሓና ስራጅ እያ። ንሳን ኣሕዋታን ካብ ኢትዮጵያ ተሰዲዶም ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ካኩማ መዓስከር ስደተኛታት ኬንያ ይርከቡ። ሪሓና ትምህርታ ምስ ወደኣት ሓኪም ክትከውን ከምትደልይን ትገልጽ ምክንያታ ድማ ካልኦት ሰባት ንምሕጋዝ ምኳኑ ተረድእ። 61 ሚእታዊት ካብ ህጻናት ስደተኛታት ናይ ቀዳማይ ደረጃ ናይ ትምህርቲ ዕድል ኣይረኽቡን፡ ዕድመ እንዳወሰኸ ምስ ከደ ድማ እቲ ቁጽሪ እንዳወሰኸ ከምዝኸይድ ሕቡራት ሃገራት የረድእ። ክልተ ሲሶ ካብቶም ናይ ቀዳማይ ደረጃ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝረኸቡ ህጻናት ስደተኛታት ናይ ካልኣይ ደረጃ ናይ ትምህርቲ ዕድል ኣይረኽቡን። ንሕብረተሰባዊን ባህላዊን ቀይድታት ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ደቂ ኣንስትዮ እተን ዝያዳ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዘይረኽባ እየን። ውሱን ናይ ትምህርቲ ዕድል ድማ ንስደተኛታት ናብ ግዱድ መርዓ፡ ግዱድ ስራሕ፡ ዘይሕጋዊ ስደትን ከምዘምርሖም ሰብ ሞያ ይገልጹ። ዓባይ ሓፍቲ ሪሓና ቀዳማይ ደረጃ ትምህርታ ከይዛዘመት ንኣሕዋታ ክትናብይ ምግዳዳ፡ ኣሕምልቲ ብምሻጥ ኣሕዋታ ከምትናብይ’ውን ሪሓና ትገልጽ። “ኣነ ትምህርተይ ስለዘቋረጽኹ ኣሕዋተይ ትምህርቶም ከቋርጹ ኣይደልይን። ትምህርቶም ክውድኡ እንተኺኢሎም ንዓይን ነቶም ነኣሽቱ ኣሕዋቶም ክአልዩ ይክእሉ’ዮም ኣነ ክገብሮ ዘይኸአልኹ ብዙሕ ነገራት’ውን ክገብሩ ይክእሉ” ትብል ፎዝያ ስራጅ ዓባይ ሓፍታ ንሪሓና ስራጅ። ሪሓና ብወገና ትምህርታ ክትከታተል ብምኽኣላ ከምትሕጎስን ትምህርታ ከትውድእ ዘለዋ ምሉእ ምትእምማን ትገልጽ። ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ብወገኖም ስደተኛታት ህጻናት ኣብ ኣብያታ ትምህርቲ ዘለውዎ ሃገር ክመሃሩ ዝሓሸ ምኳኑን ከም ናይ መንነት ወረቐት ዝኣመሰሉ ዕንቅፋታት ነዞም ስደተኛታት ክለዓሉ ጻውዒቱ የቕርብ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%95%E1%8B%B5%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%8A%BD%E1%89%A1-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8C%BB%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8B%A8%E1%8A%95%E1%89%8B%E1%88%8D%E1%89%81%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/4550891.html"} {"headline":"ኣብ ኤርትራ 4 ሓደስቲ ክታበታት ተኣታትዮም","content":"ኣብ ኤርትራ ኣርባዕተ ሓደስቲ ክታበታት ንምትእትታው መደብ ተታሒዙ ይስረሓሉ ከምዘሎን ድሮ’ውን ብመርፍእ ዝወሃብ ሓዲሽ ኣገባብ ክታበት ሕማማት ፖልዮ፡ንፍዮን ሩቤላን ከምዝተኣታተወ ኣብ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሓላፊ ሃገራዊ መደባት ክታበት ኣቶ ቴድሮስ ይሕደጎ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ። ካብ 2002 ዓ.ም ኣትሒዙ ክወሃብ ዝጸንሐ ሽዱሽተ ዓይነታት ክታበት ኣብ 2017 ናብ 11 ክብ ከምዝበለን ኣብዚ ሕጂ እዋን ከኣ ከም መቕጸልታ ተወሰኽቲ ክታበታት ተኣታትዮም ከምዘለዉ ኣቶ ቴድሮስ ኣብሪሁ። ካብ ዝመጽእ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ፡ ካብ 9 ወርሒ ክሳብ 15ዓመት ንዝዕድሚኦም ልዕሊ 1 ሚልዮን ህጻናትን ቆልዑን ብደረጃ ሃገር ክታበት ንፍዮን ሩቤላን ከምዝወሃብ ኣቶ ተድሮስ ወሲኹ ኣረዲኡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-4-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%89%B3%E1%89%A0%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8A%A3%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%88%9D\/4551201.html"} {"headline":"ርእይቶ ነበርቲ መቐለ ንመግለጺ ጉባኤ ህውሓት","content":"ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራቦም ገለ ነበርቲ መቐለ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብ ዝሓለፈ ሶኑይ ዘውጽኦ መግለፂ ኣብ ጉዳይ ቐፃሊ ጉባኤ ህወሓት ጠመተ ዝገበረ እዩ ኢሎም ። ኣባል ህወሓት ዝኾኑ ኣይተ ኣብርሃ ዕቡይ እቲ መግለፂ ሓፂርን ግልፅን ንእዋናዊ ኩነታት ዝገልፅን ይብሉ። ካብ ተቓዋሚ ውድብ ዓረና ንልኡላውነትን ዲሞክራሲን ድማ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኣይተ ዓምዶም ገብረስላሴ እቲ መግለፂ ሓዱሽ ነገር ዘይብሉን ልሙድን እዩ ኢሎም። ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ፓለቲካል ሳይንስን ስትራቴጂካዊ መፅናዕትን ሓጋዚ ፕሮፌሰር መረሳ ፀሃየ ብወገኖም ኣብ መግለፂ እቲ ውድብ ዝተጠቓለለ “ጉባኤ ህወሓት ንምዝራግ ንዝፅዕሩ መኪትና ጉባኤና ነዕውት ኢና” ዝብል ሓሳብ ካብ ውሽጥን ወፃእን ከጋጥሙ ዝኽእሉ ፈተናታት ምህላዎም ዘመላኽት ይብሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8C%89%E1%89%A3%E1%8A%A4-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-\/4551192.html"} {"headline":"ህዝቢ ኣድያቦን ሰቲት ሑመራን ምስ ሰራዊትን ገለ ህዝቢን ኤርትራ ተራኺቦም፣ ናይ መረብ ግና ኣይሰለጠን","content":"ህዝቢታት ራማ-ክሳድ ዒቃ፣ ሰቲት ሑመራን-ኦምሓጀርን ኣድያቦ-ሸሸቢትን ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምርኻብ ዝተጀመሩ ጻዕሪታት ሕውስዋስ ውጽኢት ረኺቦም ኣለው። ሎሚ ሓሙስ ኣብ ሩባ መረብ ካብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተወከሉ ነበርቲ ብሓባር ንምውዓል ኣብ ዝተትሓዘ ትልሚ ህዝቢ ካብ ወገን ክሳድ ዒቃ ኤርትራ ክርከቡ ኣይከኣሉን። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ኣብ ምልውዋጥ ሓበሬታ ብዝተፈጠረ ፀገም ምኻኑ ዝጠቀሱ ድማ ‘ንሓዱሽ ዓመት ቅዱስ ዮውሃንስ ክመፅኡ እዮም ተባሂልና’ ኢሎም። ከምኡውን ነበርቲ ሰቲት ሑመራ ሎሚ ሓሙስ ንሩባ ተከዘ ሰጊሮም ምስ ሰራዊት ኤርትራን ህዝቢን ዘትዮም ተመሊሶም። ብዘይካ’ዚ መላምንቲ ሓዊን ጎረባብቲን ህዝቢታት ኣድያቦን ሸሸቢትን ንምርኻብ’ውን ኣብ’ዚ ቅነ’ዚ ጻዕሪ ተገይሩ ኣሎ። ምስ ሰራዊትን ህዝቢን ኤርትራ ተራኺብና ሰናይ ጊዜ ኣሕሊፍና ተመሊስና ይብል ካብ ኮሚቴ ምውህሃድን ዕርቂን ህዝቢ ኣድያቦ ሓደ ዝኾነ ኣቶ ገ\/ሂወት ገ\/ሃዋርያ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%B0%E1%89%B2%E1%89%B5-%E1%88%91%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%A9%E1%89%A3%E1%88%98%E1%88%A8%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%B0%E1%89%A0-%E1%88%AD%E1%8A%AD%E1%89%A5-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%8A%A8%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8C%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B0%E1%8A%95\/4551177.html"} {"headline":"ኣፍሪቃዊያን ነዊሕን ጥዑይ ህይወት ይመርሑ ከምዘለው ዓለምለኸ ውድብ ጥዕና ገሊጹ","content":"ውዱብ ጥዕና ዓለም(WHO) ኣፍሪቃዊያን ነዊሕን ጥዕና ዘለዎን ናብራ ይነብሩ ኣለው ኢሉ።ሎሚ እውን እንተኾነ ግን ሚሊዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ብድሆ ብርቱዓት ሕማማት ከምዘለዎም እቲ ትካል ወሲኹ የጠንቅቕ። ኣብ ዋና ከተማ ዳካር ሰኔጋል ምስ ሰበስልጣን 47 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተራኸበ ውዱብ ጥዕና ዓለም(WHO) ኣፍሪቃዊያን ብፅቡቕ ጥዕና ነዊሕ ዕድመ ይነብሩ ኣለው ኢሉ። ኣብ 2015 ዓ.ም 44.4 ዓመታት ዝነበረ ማእኸላይ ዕድመ ሰብ ናብ 53.8 ዓመታት ደይቡ።ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓፈሻዊ ንውሓት ዕድመ ናብ 61.2 ዓመታት ደይቡ’ሎ። ማትሺዲሶ ሞቲ ናይቲ ትካል ናይ ኣፍሪቃ ዞባዊ ዳይረክተር እያ። “እዚ ውፅኢት ዝመጸ ኣብ ናይ ኤችኣይቪ ኤድስ ሕክምና ዓብይ ምዕባለ ስለዝተርኣየን ኣብ ዓሶ ዝሓሸ ምክልኻልን ኣተሓሕዛን ስለ ዘሎን እዩ።” ብሰንኪ ሕማም ውጽኣት፣ናይ መተንፈሲ ረኽስን ኤችኣይቪን ቁጽሪ ዝሞቱ የንቆልቁል ኣሎ።ከም ካንሰርን ሕማም ልብን ዝኣመሰሉ ሕማማት ግን ተወሳኺ ህይወት የጥፍኡ ምህላዎም ተገሊጹ’ሎ። ቁጽሪ ብዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ናይ ዝሞቱ በዝሒ ከምዘለዎ እቲ ውድብ ዝገለጸ ክኸውን ከሎ ኣብ ኣፍሪቃ ቀንዲ ምኽንያት ሞት ዝኾኑ 10 ሕማማት ግን ብ40 ሚእታዊት ነክዮም’ዮም ኢሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%90%E1%8B%8A%E1%88%95%E1%8A%95-%E1%8C%A5%E1%8B%91%E1%8B%AD-%E1%88%85%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%88%98%E1%88%AD%E1%88%91-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4551160.html"} {"headline":"ፖሊስ ፕረዚደንት ክልል ሶማል ዝነበሩ ኣብዲ ኢለ ዝርከብዎም 4 ሰበ ስልጣናት ናብ ፈደራል ቤት ፍርዲ ቀሪቦም","content":"ናይ ሶማሊያ ክልል ፕረዚደንት ዝነበሩ ኣቶ ኣብዲ መሓመድ ዑመር ሓዊሱ ኣርባዕተ ላዕለዎት ሰበስልጣን እቲ ክልል ብቕትለትን ካልኦት ዝተፈላለዩ ገበናትን ተጠርጢሮም ከምዝተትሓዙ ፖሊስ ንቤት ፍርዲ ገሊፁ። ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ፌደራል ሎሚ ረቡዕ ዝቐረቡ ሰበስልጣናትን ፕረዚደንት ክልል ሶማሊያ ነበር ኣቶ ኣብዲ መሓመድ ዑመር፣ሓላፊት ቢሮ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ወ\/ሮ ራሕማ መሓመድ፣ተወካሊ ዳያስፖራ ኣቶ ዓብዱራሕማን ኣሚንን ሓላፊ ቢሮ ልምዓት መስኖ ኣቶ ሱልጣን መሓመድን እዮም። መንግስቲ ንናይቲ ክልል ልምዓት ዝመደቦ ገንዘብ ንዘየድሊ ብምውዓል፣ንናይቲ ክልል መናእሰይ ብምውዳብ ንብዙሓት ዓመታት ሓቢሩ ዝነበረ ህዝቢ ብሃይማኖትን ዓሌትን ብምክፍፋል ሰባት ካብቲ ከባቢ ብምዝንባል ብርክት ዝበሉ ሰባት ክቕተሉ ገይሮም ክብል ፖሊስ ጥርጡራት ፈፂሞምዎ ንዝበሎ ተግባራት ገበን ዘርዚሩ።ኣብያተ ንግዲ፣ትካላት ሃይማኖት ብምቅፃል ብዝለዓለ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ተጠርጢሮም ኣለው። ፖሊስ ተወሳኺ ናይ 14 መዓልታት ናይ ምርመራ ግዜ ሓቲቱ’ሎ።ኩሎም ጥርጡራት መሰል ዋሕስ ክሕለወሎም ሓቲቶም፤ፖሊስ ዝተጠርጠርሉ ቕትለት እዩ ክብል ተቓዊሙዎ’ሎ። ቤት ፍርዲ ውሳነ ንምሃብ ንፅባሕ ቆፀሮ ሂቡ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A9-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%B2-%E1%8A%A2%E1%88%88-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5%E1%8B%8E%E1%88%9D-4-%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%89%80%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/4549653.html"} {"headline":"'ፍቕሪ ስዒሩ' ብካሕሳይ በርሀን ሰሎሞን ባይረን","content":"'ፍቕሪ ስዒሩ!' ናይ'ዚ ዘበና ምርጽቲ ደርፊ ሒዞም ኣብ ኣደባባይ ዝወጹ ኪነ ጥበባዊያን ኤርትራዊ ካሕሳይ በርሀን ኢትዮጵያዊ ሰለሞን ባይረን ነታ ደርፊ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ኣማሓይሾምን ከሺኖምን ናብ ህዝቢ ከምዘቕረቡ ይዛረቡ። ኣገራሚ'ዩ! ገለ ካብ ግጥምታት 'ፍቕሪ ስዒሩ' ክንወከሰኩም፣ ፍቕሪ፣ ፍቕሪ፣ ፍቕሪ ስዒሩ፣ ፍቕሪ፣ ጸግዒ ሓዘልና ጽልኢ። ፍቕሪ፣ ፍቕሪ፣ ፍቕሪ ስዒሩ፣ ፍቕሪ፣ ታይ ይሳኣኖ ፈጣሪ። ሰላምና የብዛሓዮ ንዘልኣለም፣ ኣብነት ኮይና ንዓለም። ፍቕሪ እንተሃልዩ ዘይብጻሕ የለን። ደጊም ጽልኢ ውጻእ፣ ፍቕሪ እቶ፣ ከም’ታ ቀደምና ኣብ ራህዋን ጸበባን ንተሓዋወስ ንፋቶ። ሓሊፉ’ወ ኩሉ፣ ሰላም ኮይኑ። ደቂ ክልተ አደ፣ ደቂ ሓደ ርባ፣ ላዕላይ ታሕታይ ዓዲ፣ መካፍልቲ ጸባ፣ ናይ ኣሕዋት ዘረባ። ዘይከም’ዚኣ እንታይ ደልየ፣ ዘይከምዚኣየ፣ ባህገይ ሰሚሩለይ፣ ሰላም ሪኤየ። ተወሊዑ’ዶ ፋኑስ ተወሊዑ’የ፣ ፈጣሪ ጸሎትና ሰሚዑ’የ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/fkri-seru-love-won-by-kahsay-berhe-and-solomon-bayre-at-mekelle-ashenda-2018\/4549678.html"} {"headline":"አዳማ፡ፖሊስ ዘይሕጋዊ’ዮም ንዝበሎም አባይቲ ምፍራስ ኣብ ዝተንቀሳቀሰሉ ብዝተላዕለ ግጭት ክልተ ሰባት ተጎዲኦም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣዳማ ፖሊስ ዘይሕጋዊ ንዝበሎ ህንፀት ኣባይቲ ንምፍራስ ኣብዝተንቀሳቐሰሉ ብዝተለዓለ ግጭት እንተወሓደ ክልተ ሰባት ጉድኣት ከምዝወረዶም ተፈሊጡ። ነበርቲ’ቶም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝተሃንጹ’ዮም ዝተባህሉ ኣባይቲ ገዛውቲ ክንሃንጽ ኸለና ዘዘራረበና ሰብ የለን ይብሉ።ሓንቲ ካብኦም ከምዚ ትብል። “ዋላ ሓደ ሰብ ዘዘራረበና የለን።ቅድሚ ሎሚ ሰሪሕና ምስወዳእና ኣፍሪሶምዎ፤መሊስና ሃኒፅና ኸአ ኣቲና።” ብደለልትን ዘይሕጋዊያን ይካየድ ዝነበረ ዘይሕጋዊ ህንፀት ኣባይቲ ደው ንምባል ኣብ ዝተገበረ ፃዕሪ ኣብ መንጎ ኣባላት ፀጥታን ነበርትን ግጭት ምልዓሉ ሓላፊ ምምሕዳርን ፀጥታን ከተማ ኣዳማ ኣቶ ለማ ሃይለ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A0%E1%8B%B3%E1%88%9B-%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%95%E1%8C%8B%E1%8B%8A-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%88%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%95%E1%89%90%E1%88%B3%E1%89%90%E1%88%B5%E1%88%89-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8C%8E%E1%8B%B2%E1%8A%A6%E1%88%9D\/4549575.html"} {"headline":"ኣኼባ ኣፍሪቃዊያን ዲያስፖራ ኔትዎርክ(ADN) ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ","content":"ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎንያ ስሊከን ቫሊ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ዝተመስረተ ኣፍሪቃ ዳይስፖራ ኔት ዎርክ ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል ሎሚ ቅነ ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ሓደ ምትእኽካብ አካይዱ ኔሩ። እዚ ኣብ ሲሊከን ቫሊ ዝመደበሩ ንመኽሰብ ዘይቆመ ትካል ኣፍሪቃ ዲያስፖራ ኔት ዎርክ ንኣፍሪቃዊያን ዳያስፖራን ፈተውቲ ኣፍሪቃን ምስ ኣፍሪቃ ንምትእስሳር ዝዓለመ ምኳኑ ዳይሬክተር’ቲ ትካል ኣልማዝ ነጋሽ ተረድእ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%8A%BC%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%B2%E1%8B%AB%E1%88%B5%E1%8D%96%E1%88%AB-%E1%8A%94%E1%89%B5%E1%8B%8E%E1%88%AD%E1%8A%AD(adn)-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8B%E1%88%BD%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%89%B0%E1%8A%95-%E1%8B%B2%E1%88%B2\/4549482.html"} {"headline":"ንመዓልታት ኣብ ወደብ ሲሲሊ ዝጸንሑ ስደተኛታት መዕቆቢ ስደተኛታት ሮካ ዲ ፓፓ ምእታዎም ተገሊጹ","content":"ንሽዱሽተ መዓልታት ኣብ ወደባት ሲሲሊ ዝጸንሑ ኣስታት 100 ዝኾኑ ስደተኛታት ትማሊ ሶሉስ ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ሮካ ዲ ፓፓ ምእታዎም ተገሊጹ። እቶም ስደተኛታት ኣብቲ መዕቆቢ’ቲ ስደተኛታት ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን ንምምጻእ እቶም ስደተኛታት ብዝቓወሙን ዝድግፉን ወገናት ሰልፊ ምክያዱ ተገሊጹ’ሎ። No media source currently available ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ካህናት፡ ኣልባንያን ኣየርላንድን ነቶም ኣብ ወደባት ኢጣልያ ዝጸንሑ 140 ስደተኛታት ከምዝቕበልዎም ድሕሪ ምፍላጦም ኢጣልያ ነቶም ስደተኛታት ክራገፉ ምፍቓዳ ይፍለጥ። መብዛሕትኦም እዞም ስደተኛታት ካብ ኤርትራ ዝመጹ ክኮኑ ከለው ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ሮካ ደ ፓፓ ንቁሩብ መዓልታት ጸኒሖም ናብ ካልኦት ቦታታት ከምዝጣየሱ ተገሊጹ’ሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብቲ መዕቆቢ ካብ ኤርትራ፡ናይጀርያን ሶርያን ዝመጹ 270 ስደተኛታት ከምዝርከቡ ብተወሳኺ ተገሊጹ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%8B%B0%E1%89%A5-%E1%88%B2%E1%88%B2%E1%88%8A-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%91-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8B%95%E1%89%86%E1%89%A2-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%AE%E1%8A%AB-%E1%8B%B2-%E1%8D%93%E1%8D%93-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4549112.html"} {"headline":"‘ልዕልና ሕጊ ምኽባር ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኮነን’ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ","content":"ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ ልዕልና ሕጊ ምኽባር ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኮነን ኢሎም። ኩነታት ሰላም ውሽጢ-ሃገር እናተመሓየሸ ይመጽእ ኣሎ ዝበሉ ዶ\/ር ኣብይ፡ ሓይልታት ምክልኻል`ታ ሃገር፡ ተልእኮኡ ንምፍጻም ኣብ ምሉእ ብቕዓት ከምዝርከብ ኣፍሊጦም። ዝሓለፈ ቐዳም ፈላማይ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃቡ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ብዛዕባ ምኽባር ውሽጣዊ ሰላምን ተሓታትነትን ተደጋጊሞም ካብ ዝቐረቡሎም ሕቶታት ኔሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8D%E1%8A%93-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%95%E1%89%B6-%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B1-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8A%AE%E1%8A%90%E1%8A%95-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5\/4547828.html"} {"headline":"ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያን ደምህትን ርክብ ኣካይዶም","content":"ብጀነራል ኣደም መሓመድ ዝተመርሐ ክልተ ዝኣባላቱ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ላዕለዎት መራሕቲ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ(ደምህት)ሎሚ 28 ነሓሰ ኣብ ኣዳራሽ ደንደን -ኣስመራ ርክብ ኣካይዶም። ኣብዚ ናይ ፈላማይ መድረኽ ርክቦም ፡ደምህት ዕጥቃዊ ቃልሱ ኣቋሪጹ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብምእታው ኣካል ናይቲ ለውጢ ብምዃን ፡ሰላማዊን ፖለቲካዊን ቃልሱ ከካይድ ኣብ ስምምዕ በጽሖም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%B0%E1%88%9D%E1%88%85%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%AD%E1%8A%AD%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D-\/4547770.html"} {"headline":"ፕረ.ክልል ሶማሌ ነበር አብዲ ኢለ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዮም","content":"ናይ ኢትዮጵያ ክልል ሶማሌ ፕረዚደንት ዝነበሩ አብዲ መሓመድ ዑመርን ካልኦት ሽዱሽተ አባላት ባይቶ’ቲ ክልልን ሎሚ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታዎም ኮሚሽነር ኮሚሽን ፈደራል ፖሊስ አቶ ዘይኑ ጀማል ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም። ናይ ኢትዮጵያ ክልል ሶማሌ ከመሓድሩ ዝጸንሑን ኣብ ቀረባ ካብ መዝነቶም ዝተላዕሉ ኣቶ አብዲ መሃመድ ዑመር ወይ አብዲ ኢለ ኣብ ልዕሊ ነባሪ’ቲ ክልል ተቃወምቲ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝለዓለ ጥርዓንን ቅሬታን ክቀርበሎም ጸኒሑ’ዩ። ንሶም ሎሚ ተታሒዞም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተወ ተገሊጹ። ኣቶ ዓብዲ ኢለ አብ አዲስ አበባ ኣትላስ ተባሂሉ ካብ ዝጽዋዕ ከባቢ ካብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኦም ብኣባላት ፈደራል ፖሊስ ተታሒዞም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክውዕሉ ከለው ብቴሌቭዥን ምርኣዩ ተፈሊጡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8C-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8A%A0%E1%89%A5%E1%8B%B2-%E1%8A%A2%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%8C%BD%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%88%9D\/4546391.html"} {"headline":"ጸብጻብ፡ ፈላማይ ጋዜጣዊ መግለጺ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ","content":"ስልጣን ካብ ዝሕዙ ፈላማይ ጋዜጣዊ መግለፂ ዝሃቡ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኢትዮጵያ ሓቀኛ ምርጫ ብምክያድ ተመሪፅካ ምግልጋል ናይ ባዕሎምን ናይ ውድቦምን ድልየት ምዃኑ ገሊፆም።ኣብ ክልል ሶማሌ ይፍፀም ዝነበረ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ክውንነት ይፍፀም ኢልካ ንምእማን ኣፀጋሚ እዩ ኢሎም።ናይ ምሕረት ኣዋጅ ንናይ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ዝነበሩ ኮለኔል መንግስቱ ሃይለማሪያም ኣይምልከትን ክብሉ እውን ተዛሪቦም። ቀዳምይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ንፈለማ ግዜ ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ሓቲቶም።ልዕሊ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን ኣብዝወሰደ ጋዜጣዊ መግለፂ ካብ ዝቐረበሎም ሕቶታት ሃገራዊ ምርጫ ክናዋሕ እንተኾይኑ ንዝብል ካብ ጋዜጠኛ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ንዝቐረበ ሕቶ ከምዚ ኢሎም። “ብዛዕባ ምርጫ ለውጢ ሕዚ ስለተጀመረ እንተዝናዋሕ ዝብል፣ ብናተይ እምነተይ ትኽክል ኣይመስለንን።ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከገልግሎ ዝደሊ ኣብ ዝቕፅል ምርጫ እንተተዓዊተ ጥራሕ እዩ።ዝተረፈ ናይ ለውጢ ግዜ ብምምራሕ ንክናዋሕ ናይ ምድፋእ ድልየት ኣነን እቲ ውድብን ክሳብ ሕዚ የብልናን።እቲ ጉዳይ ንቕድሚት ዝልዓል እንተድኣ ኮይኑ ንህዝቢ ግሉጽ ኽከውን እዩ።” ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ቀጺሎም ከም ውድብ ዘሎ ድልየት ግን ኣብ ኢትዮጵያ ሓቀኛን ዴሞክራሲያዊ ምርጫ ምርግጋፅ እዪ ኢሎም። “ኣብ ኢትዮጵያ ሓቀኛን ዴሞክራሲያዊን ምርጫ ተረጋጊፁ። ኢህወዴግ እንተተዓዊቱ ዝሓዞም መደባት ብምሉእ ልቡ ንምዕዋት ዝጎየሉ፣እንተተሳዒሩ ድማ ንዘመናት ክዛረበሉ ዝፀንሐ ቃል ዝኾነ ይኹን ናይ ምክልኻል ስራሕ ከይሰርሐ ኢድ ነሲኡ ስልጣኑ ብምርካብ ዴሞክራሲያዊ ውድብ ምዃኑ ከረጋግፅ እዩ እምነተይ።” No media source currently available ንሶም ብተወሳኺ እቲ ምርጫ ኣውቶሜት ምግባር ጥራሕ ከይኮነስ ናይ ምርጫ ትካል እውን ብኢህወዴግ፣ብተቓወምቲ፣ብህዝቢን ብተዓዘብትን ዝእመን ኮይኑ ምውዳብ ናይ ዝቕፅል ዓመት ቀንዲ ስራሕና ክኸውን እዪ ኢሎም። ኣብ ክልል ሶማሌ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ጂግጂጋ ብዛዕባ ዝተፈፀመ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት እውን ከምዚ ኢሎም። “ኣብቲ ከባቢ ይፍፀም ዝነበረ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ከም መንግስቲ ኩነታት ምውሳድ ስጉምትን ኣብ ፊልም ዝርአ ወይ ኣብ ልብ-ወለድ ዝንበብ እምበር ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍፀም ምዃኑ ዘጠራጥር እዩ።ብዙሓት ዘሰንብዱ ነገራት ተፈፂሞም፤ንኣብነት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣረምቲ ሰባት ምስ ኣንበሳ፣ዝብእን ነብርን ሓቢሮም ይእሰሩ።እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሎ ኢልካ ምሕሳብ ይኸብድ።እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት እሱራት ካብኦም ትፅቢት ዝግበር ጥራሕ ከይኮነስ ትፅቢት ዘይግበር እውን ንክዛረቡ ከም መፈራርሒ ኮይኑ ዝሕግዝ ስልቲ እዩ።…ሰባት ይድፈሩ፣ሃብቲ ይዝረፍ፣ሰባት ይሞቱ፤ኣብ ጂግጂጋ ዝተፈፀመ ነገር እውን ከምዚ ዝበለ መልክዕ ኣለዎ።” ኣብቲ ከባቢ ዝፍፀሙ ነገራት ንክልል ሶማሌ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ዞባ ብዝህውኽ ኣገባብ ዝተሃንደሰ እዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣብ ድሬዳዋ ኮነ ተባሂሉ እቲ ዕግርግር ናብ ጅቡቲ ንምጋፋሕ ብዝዓለመ ዜጋታት ጅቡቲ መጥቓዕቲ ተፈፂሙዎም ነይሩ ኢሎም። ኣብታ ሃገር ዝተኣወጀ ናይ ምሕረት ኣዋጅ ንናይ ቀደም ፕረዚደንት መንግስቱ ሃይለማሪያም ከምዘይሓውስ’ውን ኣብዚ አጋጣሚ ሓቢሮም። “ሕጊ ኣዋጅ ትሕቲ ሕገ መንግስቲ እዩ።ጉዳይ ቀይሕ ራዕዲ ንኣዋጅ ምሕረት ከምዘይምልከት ሕገ መንግስቲ ብግልፂ ኣቐሚጡዎ’ሎ።ስለዚ ሕዚ ብዘሎ ኩነታት ኮሎኔል መንግስቱ ብምሕረት ናብ ኢትዮጵያ ኣይኣትውን።ነዚ ዓንቀጽ ሕገ መንግስቲ ናይ ምምሕያሽ ዕድል ንቕድሚት እንተጋጢሙ ንሶም እውን ክሕወሱ ይኽእሉ እዮም።ሕዚ ብዘሎ ኩነታት ግን እቲ ሕገ መንግስቲ ብግልፂ ኣብ ቀይሕ ራዕዲ ዝተሳተፉ ሓይልታት ብምሕረት ኣዋጅ ምትእንጋድ ከምዘይክኣል ኣቐሚጡዎ’ሎ።” ህንፀት ግድብ ህዳሴን ካልኦት ዓበይቲ ፕሮጀክትታትን ኣመልኪቶም ኣብዝሃብዎ ርእይቶ ምኽንያት ምጉታቱ’ቲ ስራሕ ብናይ ምክልኻል ኢንጂነሪንግ ቴክኖሊጂ ትካል ወይም መቴክ ብምትሓዞም እዩ ኢሎም። “ዓብይ ውጥን እዩ።እንተድኣ ዘይሰሪሕናዮን ዘይፈፅሚናዮን ኣዚዩ ዘሕፍር፣ እንድሕር ዛዚምናዮ ኸኣ ዘኹርዕ እዩ።ንሕና ንምዘነሉ ዓበይቲ ነገራት ብምሕሳብና ዘይኮነስ ዓበይቲ ነገራት ብምስራሕ እዩ ክኸውን።ንምስራሕ ዘለና መንገዲ እንታይ ይመስል ንዝብል ጉዳይ ብናተይ እምነት ምሽፍፋን ግቡእ እዩ ኢለ ኣይኣምንን።ኣፅኒዑ ዘቕርበለይ ሓደ ጉጅለ ኣጣይሸ።እቲ ውፅኢት ከምዝሕብሮ እቶም ፕሮጀክትታት ካብ መቴክ ብቕልጡፍ ተወሲዶም ልምዲ ንዘለዎም ኩባኒያታት እንተድኣ ዘይተዋሂቦም ብዝተዛረብኩዎ ዕድመ ጥራሕ ከይኮነስ ካብኡ ንላዕሊ ግዜ ፀኒሑ እንተኾነ እውን ንምዝዛም ዘስግእ እዩ።” ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ኣሜሪካ ምስተመለሱ ናይ ጥዕና ፀገም ኣጋጢሙዎ ነይሩ ዝብል ብዛዕባ ዝውረ ጌጋ እዩ ፍጹም ጥዑይ እየ ኢሎም።’’ሓሚመ ኣይፈልጥን፤ኣዚዩ ጥዕና ዝተሰመዐኒ እዋን ካብ ናይ ኣሜሪካ መልሲ እዩ’’ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%B8%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%89%A5-%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5\/4546236.html"} {"headline":"ማእከላይ ኮሚቴ ህውሓት ናይ ሰለስተ መዓልታት ኣኼብኡ ዛዚሙ","content":"ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ካብ 18 ነሓሰ ክሳብ 20 ነሓሰ ኣኼባ ኣካይዱ። እቲ ማእከላይ ኮሚቴ ድሕሪ እቲ ኣኼባ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣመራርሓ እቲ ውድብ ንዉሕስነት ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ኣድላይ ዘበለ መስዋእቲ ንምኽፋል ድልው እዩ ኢሉ። መበል 13 ጉባኤ ህወሓት ጠሚቱ ከምዝዘተየ ዝገለፀ እቲ ማእከላይ ኮሚቴ ነቲ ጉባኤ ብዝኾነይኹን መንገዲ ንምዝራግ ዝግበር ምንቅስቓሳት ክምክቶ እየ ድማ ኢሉ ኣሎ። ሕገመንግስታዊ ስርዓትን ረብሓን ክብርን ህዝቢ ቐዳምነት ሂቦም ምስ ዝሰርሑ ዉድባት ፓለቲካ ድማ ኣብ ናይ ሓባር ኣጀንዳ ንምስራሕ ሐዚ እውን ድለው እየ ክብል ገሊፁ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8B%E1%8B%AD-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%89%B4-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8A%BC%E1%89%A5%E1%8A%A1-%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%99\/4546191.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 2020 ክኻየድ ዝተወጠነ ምርጫ ነጻን ፍትሃዊን ከምዝኸውንን ከምዘይናዋሕን ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም","content":"ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2020 ዓ.ም ዝኻየድ ምርጫ ነጻን ፍትሃዊን ከምዝኸውንን በቲ ኣብታ ሃገር ዝተኣታተው ዘሎ ለውጢ ፖሊስ፡ ቁጠባን ዲፕሎማስን ድማ እቲ ምርጫ ከምዘይናዋሕ ብቐዳም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም። ቀ\/ሚ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናብ መዝነት ካብ ዝመጹ ንደሓር ነቲ ብመንግስታዊ ትካላት ዝዕብለል ቁጠባ’ታ ሃገር ንምክፋትን ነቲ ንዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሓ ውጥረት ንምፍታሕ ስጉምቲታት ምውሳዶምን ይፍለጥ። No media source currently available ንሶም ብቐዳም ንመጀመርያ ጊዜ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብ ዝመጽእ ቁሩብ ኣዋርሕ ባንኪ ዓለም 1 ቢልዮን ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንኢትዮጵያ ከምዝህብ፡ እዚ ድማ “ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ለውጢ’ዩ” ኢሎም። ዓለምለኸ ባንክ ዝርከብዎም ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ድሕሪ ንናይ 2005 ዓ.ም ምርጫ’ታ ሃገር ስዒቡ ብዝተላዕለ ተቓውሞን ግጭትን ምክንያት ነቲ ሃገር ዝህብዎ ዝነበረ ሓገዝ ደው ምባሎም ይዝከር። “ምስ ኤርትራ መስርሕ ሰላም ካብ ዝጅመር ንደሓር ናይ ገንዘብ ሓገዝ ኾነ ልቓሕ ክህቡና ዝደልዩ ትካላት ቁጽሮም ወሲኹ’ዩ። ንኣብነት ዓለምለኸ ባንክ ንናይ ኢትዮጵያ ባጀት ብቐጥታ ሓገዝ ሂቡ ኣይፈልጥን ንዝመጽእ ኣዋርሕ ግን 1 ቢልዮን ናይ ኣሜሪካ ዶላር ሓገዝ ክህብ’ዩ።” ንሶም ብተወሳኺ ተጀሚሩ ዘሎ ለውጢ ንምዝዛም ነታ ኣብ 2020 ዓ.ም ክካየድ ዝተወጠነ ምርጫ’ታ ሃገር ከምዘይመሓለፍ ሓቢሮም። ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዲግ ድማ ዝመጽእ ዓመት ነጻ ምርጫ ንምክያድ ኣብ ዘድልይ ምድላው ኣተኹሩ ከምዝሰርሕ ገሊጾም። ንሶም ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት’ታ ሃገር ብዝምልከት “ ኣብ ክልል ሶማል ዘጋጠመ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ’ዩ ኢልኻ ክትኣምኖ ዘጸግም’ዩ። ካብ ፊልም ወይ ልብ ወለድ ዝተወስደ’ዩ ዝመስል፡ ብጣዕሚ ዘፍርሕ ነገር’ዩ አጋጢሙ። ኣብቲ ሰባት ዝእሰርሉ ቦታ ከም ኣንበሳ፡ ነብሪን ዝብኢን ዝኣመሰሉ ኣራዊት’ውን ይሕዙ ኔሮም። እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጺሙ’ዩ ኢልኻ ክትኣምኖ’ውን የጸግም’ዩ። እዚ ድማ እሱራት ብምስንባድ ቃሎም ክህቡ ንምግባር ዝጥቐምሉ ሜላ’ዩ” ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-2020-%E1%8A%AD%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%8C%A0%E1%8A%90-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%90%E1%8C%BB%E1%8A%95-%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%83%E1%8B%8A%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%B8%E1%8B%8D%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8A%93%E1%8B%8B%E1%88%95%E1%8A%95-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A6%E1%88%9D\/4546017.html"} {"headline":"ኢጣልያ: ንሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ወደብ ካታንያ ዝጸንሑ ስደተኛታት ክራገፉ ኣፍቒዳ","content":"ኢጣልያ: ንሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ወደብ ካታንያ ዝጸንሑ 150 ስደተኛታት ትማሊ ሰንበት ክራገፉ ኣፍቒዳ። እቶም መብዛሕትኦም ኤርትራዊያን ዝኾኑ ስደተኛታት ካልኦት ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ነቶም ስደተኛታት ከምዝቕበልዎም ከየፍለጡ ናብ ወደባታ ከምዘይራገፉ ብምግላጻ ንዝሓለፈ ሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ወደብ ካታንያ ኣብ መርከብ ምጽንሖም ይፍለጥ። No media source currently available እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ብዘይመንግስታዊ ትካላት ዝውነና መራኽብ ንዝደሓኑ ስደተኛታት ናብ ወደባት ኢጣልያ ከይራገፉ ዝብል መርገጺ ክኽተሉ ዝጸንሑ ሚንስተር ውሽጣዊ ጉዳያት’ታ ሃገር ማትዮ ሳልቪኒ ሓላፍነት ብግቡእ ዘይምጥቓም፡ ምጭዋይን ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ብዝብል ብዓቃብ ሕጊ ዝቕረበሎም ክሲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ። ብመሰረት ሓበሬታ ራኸቢ ብዙሃን ኢጣልያ ሰለስተ ካብቶም ስደተኛታት ሕማም ቲቢ፡ ክልተ ድማ ሕማም ነድሪ ሳንቡእ (ኒሞንያ) ዘለዎም ከምዝተረኽቡ ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሰብሞያ ብምጥቃስ ሓቢሮም ኣለው። እቶም ስደተኛታት ኣብ ከተማ ሲሲሊ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት ዝተወስዱ ክኮኑ ከለው ስዒቡ ናብ ኣየርላንድ ኣልባንያን ከምዝጣየሱ ተገሊጹ’ሎ። ካብ 2014 ክሳብ ሕጂ ኣስታት 650,000 ስደተኛታት ኢጣልያ ምእታዎምን ዋላ’ዃ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቁጽሪ ስደተኛታት እንተጎደለ ካልኦት ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ነቶም ስደተኛታት እንተዘይተቐቢሎም ስደተኛታት ዝጸዓና መራኽብ ኣብ ወደባት ከይዓርፉ ከምትኽልክል ኢጣልያ ሓቢራ’ላ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%8C%A3%E1%88%8D%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%93%E1%88%99%E1%88%BD%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%8B%B0%E1%89%A5-%E1%8A%AB%E1%89%B3%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%91-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%8C%88%E1%8D%89-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%89%92%E1%8B%B3\/4545916.html"} {"headline":"ቀዳማዊት ወ\/ሮ ዝተሳተፋሉ በዓል ኣሸንዳ ኣብ መቐለ ተዛዚሙ","content":"በዓል ኣሸንዳ ሎሚ ምሸት ኣብ መቐለ ኣብ ዝተካየደ ኣኼባ ብመደረ ምክትል ፕረዚደንት’ቲ ክልል ዶ\/ር ደብረጽየን ገ\/ሚካኤል ተዓጽዩ። ቀዳማዊት ወ\/ሮን ባዓልቲ ቤት ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድን ዝኾና ወ\/ሮ ዝናሽ ታያቸው ኣብ ዝተረኸባሉ ስነ ስርዓት መደረ ዘስምዑ ዶ\/ር ደብረጽየን ‘ንህዝብናን ቆልዑ ኣሸንዳን ኣኽቢርኪን ስለዝመጻኽን ንሕና’ውን ኣኽብሮትና ክንገልጸልክን ንፈቱ፣ ካልኦት’ውን ከምኡ ንህዝብና ምኽባር ይልመዱ’ ኢሎም። ንሶም ብዛዕባ ምስ ኤርትራ ዝተጀመረ መስርሕ ሰላም ኣመልኪቶም ክዛረቡ ከለው ‘ንሕሉፍ ታሪኽ ዓጺና፣ ወይ ክጸንሕ ገይርና፣ ሒሳብ ምውርራድ ገዲፍና፣ እንተደሊና’ውን ንካልእ ጊዜ ኣጽኒሕና፣ ንሓድሽ ምዕራፍ ሰላም ክነሳልጦ ኣለና። ነዚ ንምዕዋት ኩሉ ዝካኣል ክንገብር ምኳና ደጊምና ክነረጋግጸልኩም ንፈቱ። ምስ ሓውና ህዝቢ ኤርትራ ኮይና ሓድሽ ዘመን ምዕባለን ራህዋን ክነስፍን ክንረባረብ ኢና። ዕውት ከምዝኸውን እውን ተስፋይ ልዑል’ዩ’ ኢሎም። ምክትል ፕረዚደንት’ቲ ክልል ዶ\/ር ደብረጽየን ኣብ ዘረበኦም ‘ኣብ ትግራይን ካብ ትግራይን ወጻእን ዘሎ ዓቅምታት ኣተሓባቢርና ድሕነትና ንምሕላውን ውሑስ ንምግባርን ጥራሕ ዘይኮነ ሂወትን ናብራን ህዝቢ ክነማሓይሽ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ርኡይ ለውጢ ኣብ ትግራይ ክነምጽእ ብስሉጥ ኣብ ንረባረበሉ ናይ ስግግር እዋን ንርከብ’ ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ashenda-in-mekelle-concluded-first-lady-znash-participated\/4543353.html"} {"headline":"መጻኢ ረቂቕ HR 128 ኣብ ከይዲ ዝረኣ ምዃኑ ኮንግረስማን ስሚዝ ገሊጾም","content":"ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላትን ተሓታትነትን ሕጊ ዝተቀመጡ ዓንቀጻት ብመንጽር እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ምምሕያሽ ንመሳርሕቶም ከምዝረድኡ አባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ክሪስ ስሚስ ኣፍሊጦም። ሪፖብሊካን ኮንግረስማን ክሪስ ስሚዝን ዲሞክራቲክ ድሬን ባዝ ትማሊ ኣብ አዲስ አበባ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ መጻኢ ረቂቕ HR 128 ኣብ ቀጻሊ ከይዲ ዝፍለጥ ናብ ዋሽንግተን ምስ ተመልሱ ኣብ ዝካየድ ምምይጥ ምኻኑ ገሊጾም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%88%A8%E1%89%82%E1%89%95-hr-128-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%8A%A3-%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%91-%E1%8A%AE%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%88%9B%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%88%9A%E1%8B%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/4543356.html"} {"headline":"ሚኒስተር ኣህጉራዊ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ጀርመን ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ","content":"ሚንስተር ኣህጉራዊ ቁጠባዊ ምተሕግጋዝ ፈደራላዊ ሪፓብሊክ ጀርመን ዶክተር ገርድ ሙለር ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ። ዶክተር ገርድ ሎሚ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያይስ ኣፈወርቂ ኣብ ዓዲ ሃሎ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ሰላም ፡ካብ ክልቲኤን ሃገራት ሓሊፉ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ሰላምን ምተሕግጋዝን ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፈት ስምምዕ ከምዝኾነ ገሊጾም። ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰብኣውን ንዋታውን ጸጋታቶም ኣወሃሂዶም ናይ ክልትኡ ሃገራት ህዝብታት ናብራ ንምምሕያሽ ብሓባር ክሰርሑ ከምዝጀመሩ ክገልጽ ከሎ፡ዶክተር ገርድ ብወገኑ ሃገሩ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተጀመረ ዕርቀ ሰላም ከምትድግፎን ናብ ዝሓሸ ደረጃ ንምብጻሕ ከምትሰርሕን ኣረጋጊጹ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%88%85%E1%8C%89%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%89%81%E1%8C%A0%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%88%95%E1%8C%8D%E1%8C%8B%E1%8B%9D%E1%8A%95-%E1%8C%80%E1%88%AD%E1%88%98%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8A%A3%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/4542937.html"} {"headline":"ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኢጣልያ ኣብ ወደብ ካታንያ ንዘለው 177 ስደተኛታት ክትቕበል ጸዊዑ","content":"ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኢጣልያ ነቶም ኣብ ወደብ ካታንያ ኣብ መርከብ ዘለው 177 ስደተኛታት ክትቕበል ጻውዒት ዘቕረበ ክኸውን ኸሎ ሎሚ ረቡዕ ሰብኣዊን ሕክምናዊን ሓገዝ ንዘድልዎም 29 ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ካብታ መርከብ ክወርዱ ከምዘፍቐደት ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። እታ ‘ዲኮቲ’ ዝተባህለት 177 ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ኣብ ወደብ ካታንያ ካብ ትኣትው ሽዱሽተ መዓልታት ዘቑጸረት እንተኾነት ሚንስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ነቶም ስደተኛታት ከምዝቕበሉ ከየረጋገጹ ነቶም ስደተኛታት ክራገፉ ብዘይምፍቓዱ ክሳብ ሎሚ ኣብታ መርከብ ምህላዎም ተፈሊጡ’ሎ። No media source currently available ከም ‘ሴቭ ዘ ችልድረን’ን ‘ሓካይም ብዘይዶብ’ ዝኣመሰላ ዘይመንግስታዊ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ነቲ መግለጺ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካላት ደገፎም ገሊጾም ኣለው። ሚንስተር ንሓለዋ ባሕሪ’ታ ሃገር ዝቆጻጸር ሚንስትሪ መጉዓዝያ ዳኒሎ ቶኒሊ እቲ ኩነታት ብቅልጡፍ ክፍታሕ ዘለዎም ሰናይ ትምኒት ገሊጾም ኣለው። ንሶም ሶሉስ ምሸት ምስ ዩሮኒውስ ዝተባህለ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ ኣቐዲሙ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ናብ ኢጣልያ ዝኣተው ስደተኛታት ንምቕባል ዝኣተውዎ ቃል ከምዘይፈጸሙን ሕጂ ድማ ሃገሮም ከም ፕረዚደንት ፈረንሳን ኢማኑኤል ማርኮን ቻንስለር ጀርመን ኣርገላ መርከንን ዝኣመሰሉ መራሕቲ ሃገራት ነቶም ስደተኛታት ከምዝቕብሉ ከረጋግጹ ከምዝደልዩ ሓቢሮም ኣለው።።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%95%E1%89%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%8C%A3%E1%88%8D%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%8B%B0%E1%89%A5-%E1%8A%AB%E1%89%B3%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8D-177-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%89%95%E1%89%A0%E1%88%8D-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%91\/4541577.html"} {"headline":"ጠቕላሊ ፈደራል ቤት ፍርዲ ንጥርጡራት መጥቓዕቲ ቦምብ ሰልፊ ሰነ ክሲ ንምምስራት ዝተማልኣ መርትዖ ክቐርብ ኣዚዙ","content":"ናይ ኢትዮጵያ ጠቕላሊ ፈደራል ቤት ፍርዲ 16 ሰነ 2010 ዓ.ም ንቀዳማይ ሚንሰተር ኣብይ ኣሕመድ ንምድጋፍ ኣብ ዝተፀውዐ ናይ መስቀል ኣደባባይ ሰልፊ ናይ ቦምብ መጥቓዕቲ ፈፂሞም ብዝብል ተጠርጢሮም ዝተትሓዙ ሰባት ክሲ ክምስረቶም ትፅቢት እንተተገብረ እውን መርማሪ ፖሊስ በቲ መጥቓዕቲ ካብዝተጎድኡ ናይ 40 ሰባት ቃል ጥራሕ ሒዙ ብምቕራቡ ንካልእ መዓልቲ ተመሓላሊፉ።በቲ መጥቓዕቲ ጉድኣት ዝወረዶም ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ብምዃኖም መርማሪ ፖሊስ ናይ ኩሎም ቃል ኣማሊኡ ከረክብ ተኣዚዙ’ሎ። ቦምብ ብምቕባል ዝተጥርጠረ ኣቶ ብርሃኑ ጃፋርን ነቲ ቦምብ ደርቢዩ ከምልጥ ከምዝተትሓዘ ዝዝረበሉ ተጠርጣሪ ኣቶ ጥላሁን ጌታቸውን ካብ 12 ሰነ ክሳብ 16 ሰነ ተለዋዊጦም ዝተባህለ ናይ ስልኪ ዝርርብ ካብ ኢትዮ ቴሌኮም ብምውፃእ ኣካል ናይቲ ምርመራ መዝገብ ክገብር ከምዘለዎ ብምሕባር ኣማሊኡ ከቕርብ ንመርማሪ ፖሊስ መሊሱ ምልኣኹ እቲ ዓቃቢ ሕጊ ነቲ ቤት ፍርዲ ኣረዲኡ’ሎ። መርማሪ ጉጅለ ኣማሊኡ ንምቕራብ 14 መዓልታት ንቤት ፍርዲ እንተሓተተ እውን ቤት ፍርዲ ሸውዓተ መዓልታት ሂቡዎ’ሎ።ተኸሰስቲ ብነፃ ክወፁ ወይ ናይ ዋሕስ መሰሎም ክሕለወሎም ጠሪዖም ነይሮም። 16 ሰነ 2010 ዓ.ም ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ቦምብ ክልተ ሰባት ሞይቶም : ልዕሊ 100 ሰባት ድማ ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት ምውራዱ ይዝከር ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%A0%E1%89%95%E1%88%8B%E1%88%8A-%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8A%95%E1%8C%A5%E1%88%AD%E1%8C%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%89%A6%E1%88%9D%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%88%B0%E1%8A%90-%E1%8A%AD%E1%88%B2-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%8D%E1%8A%A3-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%8B%96-%E1%8A%AD%E1%89%90%E1%88%AD%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%9A%E1%8B%99\/4541524.html"} {"headline":"ዓለምለኸ መዓልቲ ሰብኣዊነት ሎሚ ተዘኪሩ","content":"ዓለምለኸ መዓልቲ ሰብኣዊነት ምኽንያት ብምግባር ሎሚ ሓሙስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝተኻየደ ስነርዓት ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊት ኣዋሃሃዲ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ሚስስ ጁሊያን ሜልሶፕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ንዝተጎድኡ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ንምሕጋዝ ይቓለስ ምህላው ሓቢረን። ብውሕጅን ካልኦት ናይ ተፈጥሮ ሓደጋታት ንዝተጠቕዑን ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ብሰንኪ ዝፍጠሩ ግጭታት ካብ መነባብርኦም ንዝተመዛበሉ ንምሕጋዝ መንግስቲ ከቢድ ስራሕ ይሰርሕ ምህላው ብምግላፅ ነዚ ፃዕሪ ንምሕጋዝን ካብ መሰረቱ ንምፍታሕን ፀዊዐን። “ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ በብመዓልቱ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሃገራዊን ዓለምለኻውን ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ምስ መንግስቲ ብምትሕብባር ስራሓት ህይወት ኣድሕን እናሰርሑ ይርከቡ።….. ኣብ ቅድሜኹም ደው ኢለ ዘቕርበልኩም ፃውዒት ድልየት ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝግባእን ውፅኢታዊ ብዝኾነ ኣገባብ ንምምላእ ኣብቲ ስራሕ ዝተዋፈርና ድልውነትና ሓፍ ክነብል ይግባእ።ብተወሳኺ እውን እቲ ፀገም ካብ ምንጩ ንምጥፋእ ክንሰርሕ ኣለና።ኩሉ ሰብ ብነፃነት፣ብዘይስግኣትን ብኽብርን ክነብር ኣለዎ።” ኣብቲ ስነስርዓት ዝተረኸቡ ዕዱማት ደም ለጊሶም ኣለው።ጂሊያን ሜልሶፕ ሓደ ሰብ ንኻልእ ሰብ ካብ ዝልግሶ ዓብዪ ህያብ ልግሲ ደም ሓደ እዩ ክብላ ኣብቲ ቦታ ንዝነበሩ ኣተባቢዐን ኣለዋ። ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብሰንኪ ዝልዓሉ ግጭታት ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ ሰባት ቁጽሪ ልዕሊ 2.8 ሚሊዮን በፂሑ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%8A%BA%E1%88%A9\/4541492.html"} {"headline":"ብኮንግረስማን ክሪስ ስሚዝ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣመሪካ ምስ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ተዘራሪቡ","content":"ኣሜሪካን ካልኦት ዲሞክራሲያዊያን ሃገራትን ንቀዳማይ ሚንስተር አብይ ኣሕመድን ምምሕዳሮምን ደገፎም ከምዝህቡ አባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ክሪስ ስሚዝ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም። ብኣመራርሓ’ቶም ቀዳማይ ሚንስተርን ምምሕዳሮምን ዝለዓለ ምምሕያሽ ይግበር ከምዘሎን ናይ ኢትዮጵያ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላትን ተሓታትነትን HR 128 ዘርቀቁ ክሪስ ስሚዝ ገሊጾም። ኮንግረስማን ክሪስ ስሚስ ኣብ ኢትዮጵያ ይረአ ንዘሎ ለውጢ’ውን ንኢዶም ኣለው። ሎሚ ንግሆ አዲስ አበባ ዝአተው ክሪስ ስሚዝ ነዚ ዝገለጹ ምስ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶ\/ር ወርቅነህ ገበየሁ ድሕሪ ምዝርራቦም’ዩ። ብኮንግረስማን ክሪስ ስሚዝ ዝምራሕ ልኡኽ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር አብይ አሕመድ ተራኺቦም ኣብ ክልቲኣዊን ዞባዊ ጉዳያት ምዝርራቦም’ውን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ኣቶ ፍጹም አረጋ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሮም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%AE%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%88%9B%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%AA%E1%88%B5-%E1%88%B5%E1%88%9A%E1%8B%9D-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%A9\/4541326.html"} {"headline":"ንበዓል ኣሸንዳ ስዒቡ ንባህላዊ ክብርታቱ ዘህስሱ ተግባራት ይረኣዩ’ዮም ክብሉ ገለ ነበርቲ ስክፍታኦም ይገልጹ","content":"ንበዓል አሽንዳ ስዒቡ ባህላዊ ክብርታቱ ዘህስሱ ዝተፈላለዩ ተግባራት ይረኣዩ እዮም። ድምጺ ኣሜርካ ዘዘራረቦም ገለ ነበርቲ ከተማ መቐለ ብምኽንያት እቲ በዓል ኣብ ዝፍጠሩ ፀወታን ተሃድሶን ንብፆታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት የቓልዕ እዩ ይብሉ ። ኣብቲ በዓል ብነፃ ዝላለዩ ኣልኮላዊ መስተ ድማ ጽልዋ ከም ዘለዎ ይገልፁ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%B8%E1%8A%95%E1%8B%B3-%E1%88%B5%E1%8B%92%E1%89%A1-%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%89%B3%E1%89%B1-%E1%8B%98%E1%88%85%E1%88%B5%E1%88%B1-%E1%89%B0%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%8A%A3%E1%8B%A9-%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8C%88%E1%88%88-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%B5%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B9\/4541284.html"} {"headline":"ናብ መዓስከር ስደተኛታት ሰሜን ኢትዮጵያ መብራህቲ ምስ ዝቐረበ ስደተኛን ተጠቀምቲን ዘጋየሸ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ","content":"ኣዋህሊሉ ኣብ ስራሕ ዘውዐለን 96 ሽሕ ቅርሺ ከምመበገሲ ሒዙ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብውሑድ ኣብ ክልተ መዓስከራት ስደተኛታት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣገልግሎት መብራህቲ ይልግስ ኣሎ። ብኣዝዩ ትሑት ክፍሊት። ናይ ሎሚ ኣጋይሽና ነቲ ስራሕ ዝጀመረ ኤርትራዊ ኣቶ ገ\/መቀል ተወልደ፣ ኣብ ማይ ዓይኒ ብስራሕ ንግዲ ትማሓደር ኢትዮጵያዊት ኣበባ ብርሃነ፣ ካብ ኣቶ ገ\/መስቀል ዝቀረቦ ኣገልግሎት መብራህቲ ቀጥታዊ ተጠቃሚ ዝኾነን መጥሓን ዝውንን ኤርትራዊ ኣቶ ኣብራሃም ገ\/ብርሃን ምስ ነቶም ስደተኛታት ዝሰፈሩለን መዓስከራት ዘማሕድር ቢሮ ስደተኛታት ወኪሉ ኣቶ ሃይላይ ገ\/ኪዳን ኣጋይሽና ኮይኖም ኣለ። ምስ'ዞም ኣጋይሽ ዝገበርናዮ ዕላል ንክትከታተሉና ንዕድመኩም። እዚ መደብ’ዚ ካልእ መዓልቲ’ውን ክንቅጽሎ ኢና። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/refugee-camp-in-northern-ethiopia-may-eyni-got-electric-power-by-gebremekel-tewelde\/4540125.html"} {"headline":"በዓል ኣሸንዳ ሎሚ ኣብ መላእ ትግራይ ተጀሚሩ","content":"በዓል ኣሸንዳ ኣብ መላእ ትግራይ ሎሚ ረቡዕ ብድምቀት ምኽባር ተጀሚሩ። ኣብ ከተማ መቐለ እቲ በዓል ምኽባር ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን መደረ ዘስምዑ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዳስትሪን ትግራይ ኣምባሳደር ዶክተር ኣዲስኣለም ባሌማ እዚ በዓል ሓድነት ህዝቢ ዘሕይል እዩ ኢሎም። ኣብቲ መድረኽ ኤርትራዊ ስነጥበበኛ ካሕሳይ በርሀ ሓዊሱ ብዙሓት ሰብ ሞያ ስነ ጥበብ ስራሓቶም ኣቕሪቦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%B8%E1%8A%95%E1%8B%B3-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%88%8B%E1%8A%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9\/4539890.html"} {"headline":"ኣብዚ ዝዛዘም ዘሎ ዓመት ሓያል ዲፕሎማሲያዊ ዓወታት ተረኺቦም ክብሉ ሚ\/ወ\/ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ እዚ ዝዛዘም ዘሎ ዓመተ 2010 ዝተፈላለየ ዲፕሎማሲያዊን ዓወታት ዝተረኽቦ’ዩ ክብል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ አለም ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብዚ ዝዛዘም ዘሎ ዓመት ሓያል ዲፕሎማሲያዊ ዓወታት ተረኺቦም ኣለው ብምባል ከም ኣብነት ዝጠቀስዎ ድማ ተስፋ ተቆሪጽዎ ዝነበረ ከይዲ ሰላም ነፍሲ ዘሪኡ ተዓዊቱ’ዩ ክብሉ ኣብሪሆም ኣለው። “ጉዳይ ኤርትራ ዓለም ዝዘንግዖ ጉዳይ ብብዙሓት ተንተንቲ ኣብ መደርደሪ ዝተቐመጠ ፋይል ተባሂሉ ዝነበረ እቲ ፋይል መዓልቦ ረኺቡ ኣብ 2010 ዓ.ም ምስ ኤርትራ ዝነበረ ጉዳይ ዶብ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስን ኮሚሽን ዶብን ውሳነ መሰረት ክፍታሕ ክልቲኣን ሃገራት ኣብ ምርድዳእ ምብጽሓን ካብ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ክልቲኣን ሃገርት ሰጊሩ ንጂኦ-ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ኣህጉር’ውን ንኣፍሪቃ ዘለዎ ኣሰላልፋ ዝልውጥ ዓወት ዲፕሎማሲ ተጌይሩ ክቀርብ ይክእል’ዩ”ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%9A-%E1%8B%9D%E1%8B%9B%E1%8B%98%E1%88%9D-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8B%AB%E1%88%8D-%E1%8B%B2%E1%8D%95%E1%88%8E%E1%88%9B%E1%88%B2%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%93%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%88%A8%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%88%9A-%E1%8B%88-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4539976.html"} {"headline":"ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ስሩዕ ኣኼብኡ ዛዚሙ","content":"ንዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ስሩዕ አኼብኡ ከካይድ ዝቐነየ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ መግለጺ ብምውጻእ አኼብኡ ዛዚሙ’ሎ። እቲ መግለጺ ከምዝበሎ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ኣብቲ ኣኼብኡ ንትግባረ ዓሙቕ ተሃድሶን ዝተረኽቡ ውጽኢት ብዝተለምደ ውድባዊ ባህሊ ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ብዝረግኣ ኣገባብ ብዑምቀት ገምጊሙ’ሎ ኢሉ’ሎ። እቲ ፈጻሚ ስራሕ ድሕሪ’ቲ ዓሙቅ ተሃድሶ ዝተወስዱ ስጉምቲታት ለውጢ ቅድሚ ሎሚ ይረአ ዝነበረ ድኽመት ኣፈጻጽማ ዝርእዮም ዝነበሩ ጉዳያት ብቅልጡፍ ክፍጽሙ ብምጅማሮም ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ ክምስገቡ ይክኣሉ’ዮም ተባሂሎም ዘይሕሰብ ዓወታት ተመዝጊቦም ኣለው ኢሉ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%88%E1%8C%BB%E1%88%9A-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8A%A2%E1%88%85%E1%8B%88%E1%8B%B2%E1%8C%8D-%E1%88%B5%E1%88%A9%E1%8B%95-%E1%8A%A3%E1%8A%BC%E1%89%A5%E1%8A%A1-%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%99\/4539926.html"} {"headline":"አካይዲ ስራሕ ቴሌቭዥን ትግራይ ካብ መዝነቶም ዝወረድሉ መስርሕ ቅኑዕ ኣይኮነ ክብሉ ነበርቲን ምሁራትን ነቒፎም","content":"ኣካያዲ ስራሕ ቴሌቭዥን ትግራይ ኣይተ ብርሃኑ አባዲ ካብ መዝነት ንምውራድ ዝተኻየደ መስርሕ ሕጊ ዝጠሓሰ ኣካይዳ ክብሉ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ምሁራንና ገለ ነበርቲ ከተማ መቐለ ገሊጾም። እቶም ወሃብቲ ሪኢቶ ኣብ ጉዕዞ ናይ ለውጢ እዩ እንዳተበሃለ ሐዚ እውን ውድብን መንግስትን ሓደ ገይርካ ምውሳድ ትኽክል ኣይኮነን ኢሎም። እቶም ኣካያዲ ስራሕ ብውሳነ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ህወሓት ክልዓሉ ተገይሩ ክብል ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ዘውፀኦ መግለፂ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ መዘራረቢ ኮይኑ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%89%B4%E1%88%8C%E1%89%AD%E1%8B%A5%E1%8A%95-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B5%E1%88%89-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%89%85%E1%8A%91%E1%8B%95-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8A%AE%E1%8A%90-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%81%E1%88%AB%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%90%E1%89%92%E1%8D%8E%E1%88%9D\/4538251.html"} {"headline":"ዒድ ኣል ኣድሓ ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ተኸቢሩ","content":"መበል 1,439 በዓል ኢድ ኣል-ኣድሓ ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ተኸቢሩ ውዒሉ።ኣብ ኢትዮጵያ ማሕበረሰብ ኣመንቲ እስልምና ንበዓል ኢድ ኣል ኣድሓ ሓድነቱ ብምፅናዕን ብይቕሬታን ከኽብር ፃውዒት ቀሪቡ’ሎ። ኣብ ኤርትራ ዋና ፀሓፊ ቤት ፅሕፈት ኢፍታእን እስላማዊ ጉዳያት ኤርትራን ሸኽ ሳሊም ኢብራሂም ኣል-ሙኽታር ናይ ሎሚ ዓመት ዒድ ኣል-ኣድሓ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ሰላም ኣብዝተፈረመሉ እዋን ይኽበር ምህላው ገሊፆም። ኣሽሓት ኣመንቲ ምስልምና ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ስታዲዮም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ዒድ ኣል- ኣድሓ መደረ ዘስምዑ ተወካሊ ጠቕላሊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት ሃይማኖት እስልምና ሓጂ ሙፍቲ ዑመር ኢድሪስ እስልምና ናይ ኩነኔ፣ምቕታልን ካልእ ኣፈላላይ እምነት ኣይኮነን ኢሎም። ኣብ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ኣደባባይ ባሕቲ መስከረም ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ሚንስተራት ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ኣመንቲ ኣመንቲ እስልምና ኣብዝተረኽብሉ ስነስርዓት ብድሙቕ ከምዝተኸብረ መንግስታዊት መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ሓቢራ። ኣብቲ ስነስርዓት መደረ ዘስምዑ ዋና ፀሓፊ ቤት ፅሕፈት ኢፍታእን እስላማዊ ጉዳያት ኤርትራን ሸኽ ሳሊም ኢብራሂም ኣል-ሙኽታር ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ናይ 20 ዓመታት ሃዋህው ኲናት ከብቅዕ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ተመሳሳሊ ፀገም ንዘለወን ካልኦት ሃገራት ኣብነት ክኸውን እዩ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%92%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8B%B5%E1%88%93-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%88%8B%E1%8A%A5-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%89%A2%E1%88%A9\/4538229.html"} {"headline":"ኢጣልያ: 177 ስደተኛታት ጽዒና ኣብ ወደባት ሲሲሊ ዝኣተወት መርከብ ከይትራገፍ ከልኪላ","content":"ኢጣልያ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ 177 ስደተኛታት ጽዒና ሎሚ ሶሉስ ኣብ ወደባት ሲሲሊ ዝኣተወት መርከብ ከይትራገፍ ከልኪላ። እቶም ስደተኛታት ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ክኾኑ ከለው ነቶም ስደተኛታት ዝሓዘት መርከብ ትማሊ ሶኑይ ምሸት ኣብ ወደብ ካታንያ ምእታዋ እንተኾነ ኢጣልያ ከይትራገፍ ምክልኻላ ተሓቢሩ’ሎ። No media source currently available ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ማትዮ ሳልቪኒ እቶም ስደተኛታት ክራገፉ ትእዛዝ ብዘይምሕላፉ እታ መርከብ ከምዘይተራገፈት፡ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ነቶም ስደተኛታት ከምዝቕበላ ከየረጋገጹ እታ መርከብ ከምዘይትራገፍ ሚንስተር ማትዮ ሳልቪኒ ገሊጾም ኣለው። ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ ብወገኑ ነቲ ካብ ኢጣልያ ዝቐረበ ጠለብ ንምምላእን ነቶም ስደተኛታት ንምቕባልን ምስ መፍትሒ ንምንዳይን አጋር ሃገራት ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ’ሎ። ወሃቢ ቃል ትካል ግብረ ሰናይ 'ሴቭ ዘ ችልድረን\" ጂ ዮቫኒ ደ በንዴቶ እቲ ኩነታት “ዘይሰብኣዊ’ዩ” ክብሉ ገሊጾም ኣለው። ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ህጹጽ ናይ ህክምና ሓገዝ ንዘደልዮም 13 ስደተኛታት ካብታ መርከብ ዘግዓዙ ክኮኑ ከለው ብሰንኪ ኣብ መንጎ ኢጣልያን ማልታን ዘሎ ምፍጣጥ እታ መርከብ ኣብ ዓለምለኻዊ ማያት ከምዘላ ይግለጽ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%8C%A3%E1%88%8D%E1%8B%AB-177-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8C%BD%E1%8B%92%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%8B%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%B2%E1%88%B2%E1%88%8A-%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%8B%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8C%88%E1%8D%8D-%E1%8A%A8%E1%88%8D%E1%8A%AA%E1%88%8B\/4537823.html"} {"headline":"ዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃ ዝነበሩ ኮፊ ኣናን ዓሪፎም","content":"ዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃን ተሸላማይ ሽልማት ኖቤልን ዝኾኑ ኮፊ ኣናን ቅድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ መበል 80 ዕድሚኦም ኣብ በርን ስዊዘርላንድ ሞይቶም። ዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃ ኮይኖም የገልግሉ ዘለው ኣንቶንዮ ጉተረዝ ንኮፊ ኣናን ‘ዓርከይን መኻርየይን’ ክብሉ ገሊጾሞም። ኣብ ጋና ዝተወለዱ ኮፊ ኣናን ንኣህጉሮም’ውን ኣይረስዑዋን’ዮም። ብዛዕባ ኣፍሪቃ ፍሉይ ሓላፍነት ኣለኒ ይብሉ ዝነበሩ ኣናን፣ ንምዕባለ እታ ኣህጉር ሰሪሖም’ውን’ዮም። ኮፊ ኣናን ቅድሚ 18 ኣብ ኣህጉረ ኣፍሪቃ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ‘ድኽነትን ወጽዓን ናይ ሓደ ሳንቲም ክልተ መልክዓት’ዮም፣ ሓቐኛ ምዕባለ ማለት ድማ ካብ ክልቲኦም ምግልጋል’ዩ፣ ሓደ መንግስቲ ንህዝቡ ካብ’ዞም ክልተ ጸገማት ክሳብ ዘየናገፉ ዴሞክራሲያዊያን’ዮም ክባሃሉ ኣይኽእሉን’ ከምዝበሉ ዝዝከር’ዩ። ኮፊ ኣናን ሽልማት ኖቬል ቅድሚ 17 ዓመታት ከምዝተቐበሉ ዝዝከር’ዩ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/kofi-annan-remembered-by-unsg-and-un-commission-of-human-rights\/4536612.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ 'ሰራዊታ ካብ ዶብ ምስ ኤርትራ ትስሕብ ኣላ' ንዝብል ሓበሬታ ነጺጋቶ","content":"ኢትዮጵያ ሰራዊታ ካብ ዶብ ኤርትራ ትስሕብ ኣላ ተባሂሉ ንዝወፀ ዜና ሓሶት እዩ ክትብል ነፂጋቶ። ኢትዮጵያ ካብ ከባቢ ዶብ ኤርትራ ወታደራት ስሒባ ዝብል ሓቂ ኣይኮነን ክብሉ ንጋዜጣ ሪፖርተር ቃሎም ዝሃቡ ሚንስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣቶ ሞቱማ መካሳ ‘’ሓቂ እዩ ኣብ ግንባር ሸራሮ ምንቅስቓስ ነይሩ ግን ልሙድ ኣሰራርሓ እዩ’’ኢሎም ኣለው። ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ትግራይ ኣለም ፍስሃ ካብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ከባቢ ሸራሮ ዝተወሰኑ ወታደራት ምክልኻል ሃገር ተላዒሎም ናብ ማእኸል ሃገር ፀጥታ ከረጋግኡ ከይዶም ክብሉ ንኣማሓዳሪ እታ ወረዳ ኣቶ ሙሉ መብራህቱ ብምጥቓስ ዝሓለፈ ዓርቢ ምፅብፃቡ ይዝከር። ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር እውን 50 ባዶ ኣውቶቡሳት ክጉዓዛ ርአየ ምባሉ ኣብቲ ፀብፃብ ተገሊፁ ነይሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/4536501.html"} {"headline":"ንዝተጀመረ ኣፋፍኖት ፍትሕን ዴሞክራስን ንምዝራግ ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት መንግስቲ ኣይዕገሶምን ክብሉ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ይርአ ዘሎ ናይ ፍትሕን ዴሞክራስን ኣፋፍኖት ንምዕንቃፍ ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት መንግስቲ ኣይዕገሶምን ክብሉ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም። ንሶም ነዚ ዝበሉ ኣብ ከተማ ባህርዳር ልዕሊ ክልተ ሽሕ ላዕለዎትን ማእኸሎትን ኣባላት ኣመራርሓ ኣብ ዝተሳተፍሉ ኣኼባ ብኣዴን እዮም ። ብኣዴን ኣገዳሲ ሕቶ ህዝቢ ንምምላስን ዘጋጠሞ ዓቕሚ መሪሕነት ንምፍታሽን ንምትካእን ኣብ ናይቲ ክልል ዋና ከተማ ባህርዳር ቅድመ ጉባኤ ኣብ ምክያድ ይርከብ። ኣብዚ ንጋዜጠኛታት ዕፁው ኣብዝኾነ ጉባኤ ዝተረኽቡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ብፅሑፍ ኣብዝተዘርግሐ መግለፂኦም ሕቶታት ፍትሕን ዴሞክራስን ንምምላስ ብሃገርለኸ ደረጃ ዝተርኣየ ኣፋፍኖት ፍትሕን ዴሞክራስን ንምዝራግ ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ድሕሪ ሕዚ መንግስቲ ኣይዕገሶምን እዩ ኢሎም ። ይርኣዩ ዘለው ለውጥታት ስዒቦም መብዛሕትኡ ብሄር ተኮር ዝኾኑ መጥቓዕትታት ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝፍፀም መጥቓዕቲ እናወሰኹ ምምፅኦም ናይቲ ህዝቢ ሰላም፣ነፃነትን ናይ ምንባር ውሕስነትን ካብ መሰረቱ የናውፅዎ ብምህላዎም ድሕሪ ሎሚ መንግስቲ ከምዚኦም ንዝኣመሰሉ ተግባራት ፈፂሙ ኣይዕገስን እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ገሊፆም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%8B%B0%E1%88%A8%E1%8C%83-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%8C%80%E1%88%98%E1%88%A8-%E1%8A%A3%E1%8D%8B%E1%8D%8D%E1%8A%96%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%95%E1%8A%95-%E1%8B%B4%E1%88%9E%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%88%B5%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AB%E1%8C%8D-%E1%8B%9D%E1%8A%95%E1%89%80%E1%88%B3%E1%89%90%E1%88%B1-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8B%95%E1%8C%88%E1%88%B6%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A6%E1%88%9D\/4536494.html"} {"headline":"ግንባር ነጻነት ኦሮሞ ኹሎም ውድባት ሓድነት ክፈጥሩ ጸዊዑ","content":"ግንባር ነጻነት ኦሮሞ ኹሎም ውድባት ኦሮሞ ሓድነት መስሪቶም ብሓደ ክሰርሑ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። እቲ ግንባር ሎሚ ቅነ ኣብ ከተማታት ኦሮሞ ዝንቀሳቀስ ዝነበረ ሰራዊት ሰራዊትና ኣይኮነን ክብል’ውን ገሊጹ’ሎ። ኣብ ታሪኽ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ንሰለስተ ስርዓታት ዝተቃለሰ ግንባር ነጻነት ኦሮሞ ኣብዚ እዋን’ዚ ንሰለስተ ኣብ ልዕሊ ምክፍፍሉን ካልኦት ሓያለ ናይ ፖለቲካ ፓርቲታት ብምፍጣሮም ኩሎም ናብ ሓደ ክመጹን ሓድነት ክፈጥሩን ካብ ማሕበረሰብ ዝለዓለ ጸቕጢ ይበጽሖም ምህላው’ውን ሓቢሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%8A%90%E1%8C%BB%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9E-%E1%8A%B9%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%A9-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%91\/4536466.html"} {"headline":"ልዕሊ 60 ነበርቲ ራማን ከባቢኣን ከተማ ክሳድ ዒቃ በጺሖም፡ተመሊሶም","content":"ልዕሊ 60 ነበርቲ ከተማ ራማን ከባቢኣን ትማሊ ሰንበት ሩባ መረብ ተሳጊሮም ናይ ኤርትራ ከተማ ክሳድ ዒቃ ምስ ኤርትራውያን ብሓባር ውዒሎም ተመሊሶም። ሓዱሽ ዓመትን ቅዱስ ዮውሃንስ ኣብ ሩባ መረብ ሓቢሮም ንምብዓል ቆፀሮ ከምዝሓዙ እቶም ተጓዓዝቲ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም። ኣብቲ ጉዕዞ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዶብ ከባቢ ዝተቐበረ ነታጒ ከይህሉ ፈቲሹ ክሓልፉ ብምግባር እውን ሓገዝ ገይሩልና ኢሎም። እዞም ልዕሊ 60 ነበርቲ ከተማ ራማን ከባቢኣን ብሞተርሳይክል ክሳድ ዒቃ ኤርትራ በፂሖም ምምላሶም ሓቢሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-60-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%AB%E1%88%9B%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%8A%A3%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%AD%E1%88%B3%E1%8B%B5-%E1%8B%92%E1%89%83-%E1%89%A0%E1%8C%BA%E1%88%96%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%8A%E1%88%B6%E1%88%9D\/4536414.html"} {"headline":"ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ኣብ ኣስመራ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ፈጺሞም","content":"ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኬር ሚያርዲት ብዕድመ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ኣካይዱ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ። ፕረዚደንት ሳልቫ ኬር ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝገበርዎ ልዝብ፡ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ሰላም ተስፋን ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ምዕባለታት፡ኣብ መጻኢ ወለዶታት ንምውዓል ብሓባር ክሰርሑን ንትግባረኡ ድማ ቀጻሊ ርክባት ከካይዱ ተሰማሚዖም። ቀዳም 18 ነሓሰ ንክብሪ ፕረዚደንት ሳልቫ ኬርን ልኡካትን ኣብ ዝተዳለወ ናይ ድራር እንግዶት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ብሰንኪ ምትእትታው ናይ ደገ ሓይልታት ዝተዓንቀፈ ሃገር ናይ ምምዕባል ስራሕ ዳግማይ ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ኣብ ጎኖም ከምዘሎ ኣረጋጊጹ። ፕረዚደንት ሳልቫ ኬር ብወገኖም፡ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ተቃወምቲ ሓይልታት ዝገበርዎ ስምምዕ ምሉእነት ዝጎደሎን ዝተሸፋፈነን እንተኾነ ንተግባራውነቱ ከምዝሰርሑ ገሊጾም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D\/4536410.html"} {"headline":"ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ኣብ ኣስመራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ የካይዱ ኣለው","content":"ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ብዕድመ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንናይ ሰለስተ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ሎሚ 18 ነሓሰ ኣስመራ ኣትዮም። ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝኣተውሉ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቅን ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራን ኣቀባብላ ገይሮምሎም። ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ምድልዳል ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት: ንክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘገድሱ ዞባዊን ኣህጉራዊ ጉዳያትን ክመያየጡ ምዃኑ ብተወሳኺ ተሓቢሩ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ሱዳን ኒያላ ኒያላ፤ ሚኒስተር ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ማይክ በንግ ዝርከብዎም ሰበስልጣን ደቡብ ሱዳን ምስ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ሓቢሮም ኣስመራ ኣትዮም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8B%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8D\/4534210.html"} {"headline":"'ፈተናታት እንተጋጠሙና’ኳ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ከይዲ ለውጢ ንድሕሪት ኣይምለስን' ኣሕመድ ሸዲ","content":"ፈተናታት እንተጋጠሙና’ኳ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ከይዲ ለውጢ ንድሕሪት ኣይምለስን ክብሉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ኣሕመድ ሸዲ ኣፍሊጦም። እቶም ሚንስተር እቲ ለውጢ ፈፂሙ ኣይምለስን ንቕድሚት ክቕፅል እዪ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%88%E1%89%B0%E1%8A%93%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%99%E1%8A%93-%E1%8A%B3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%80%E1%88%98%E1%88%A8-%E1%8A%A8%E1%8B%AD%E1%8B%B2-%E1%88%88%E1%8B%8D%E1%8C%A2-%E1%8A%95%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%88%88%E1%88%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%88%B8%E1%8B%B2-\/4533504.html"} {"headline":"ብዘይ ኣፍልጦ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝኣተው አባላት ጸረ ሽበራ ተመሊሶም","content":"ቅድሚ 18 መዓልታት ብዘይኣፈልጦ መንግስቲ ትግራይ ናብ ከተማ መቐለ ኣትዮም ዝተበሃሉ 45 ኣባላት ፀረ ሽብር ፌደራል ፖሊስ ሎማ ናብ ዝመፅእዎ ክምለሱ ከምዝተገብረ ተፈሊጡ። እቶም ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ኣብ ከተማ መቐለ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ኣብ ዝርከብ ካምፕ ፖሊስ ፌደራል ብጥቡቕ ሓለዋ ኣካላት ፀጥታ ትግራይ ክፀንሑ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ’ሎ። ሓላፊ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም እቶም ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ናብ ትግራይ ኣብ ዝኣተውሉ “ኣተኣታትውኦም ስሕተት ነይርዎ ፤ንሕና ከይፈልጥና እዮም ኣትዮም ፤ሐዚ ግና ምስ መንግስቲ ፌደራል ተረዳዲእና ናብ ዝነበርዎ ክምለሱ ተገይሩ’ሎ’’ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8D%E1%8C%A6-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%8B%8D-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%88%A8-%E1%88%BD%E1%89%A0%E1%88%AB-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%8A%E1%88%B6%E1%88%9D\/4533496.html"} {"headline":"ሓለፍቲ ዓለምለኸ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ኣብ ከተማ ጂግጂጋ ዑደት አካይዶም","content":"ሓለፍቲ ናይ ኢትዮጵያ ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ህፃናት ኣድሕንን\/UNICEF\/ ኣብ ከተማ ጅግጂጋ ዑደት ኣካይዶም። ካብ መንግስትን ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝን ዝሓቖፈ ኮሚቴ ምጥያሹ እውን ተፈሊጡ’ሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ስቲቨን ዌርኡማሙ ኣብ ኢትዮጵያ ወኪል ዩኒሴፍ ጂሊያን ሜልሶፕ ኣብ ዋና ከተማ ክልል ኢትዮ-ሶማሊያ ጅግጂጋ ዝተረኸቡ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብታ ከተማ ብሰንኪ ዝተለዓለ ህውከት ዝወረደ ጉድኣትን ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝውሃብ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዝርከብ ንምፍታሽ ከምዝኾነ እቶም ትካላት ብሓባር ኣብዝዘርግሕዎ መግለፂ ሓቢሮም። ብሰንኪ ዝተፈጥረ ህውከት ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ነበርቲ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም እዮም።ናይዞም ተመዛበልቲ ሰብኣዊ ድልየት ንምምላእ ካብ መንግስትን ሰብኣዊ ትካላትን ዝሓቖፈ ሓደ ኮሚቴ ምጥያሹ እቲ መግለፂ ይሕብር። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ከተማ ጂግጂጋ ዘሎ ኩነታት ፀጥታ ዝተመሓየሸ’ዃ እንተኾነ ሎሚ እውን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዓቒቦም ከምዝርከቡ ነበርቲ ተዛሪቦም።ናብ ካልኦት ከተማ ዝስደዱ ከምዘለው እውን ገሊፆም። ነቶም ተመዛበልቲ ዝውሃብ ረድኤት ብዝምልከት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንዘለው እኹል ሓገዝ ይግበረሎም እንተኾን ናብ ኣባይቶም ዝተመልሱ ግን እኹል ረድኤት ኣይረከቡን ዘለው ክብሉ ነበርቲ ገሊፆም ኣለው። ናብ ከተማ ሃረር ተሰዲዶም ዝነበሩ ገለ ሽዱሽተ ሽሕ ዝኾኑ ሰባት መብዛሕቲኦም ድሕሪ ሓደ ክልተ መዓልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ምኻዶም ተገሊፁ’ሎ። ብመዳይ ምሃብ ሓገዝ ብወገን መንግስቲ ዘሎ ምንቅስቓስ ካብ ምክልኻል ሓደጋን ድልውነትን ብዓልስልጣን ንምዝራብ ይፍትን ከምዘሎ እስክንድር ፍሬው ሓቢሩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%88%88%E1%8D%8D%E1%89%B2-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8C%82%E1%8C%8D%E1%8C%82%E1%8C%8B-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6%E1%88%9D\/4533473.html"} {"headline":"ሰራዊት ምክልካል ኢትዮጵያ ካብ አድያቦ ናብ ማእከል ዓዲ ምንቅስቃሱ ሰበ ስልጣን'ቲ ከባቢ ገሊጾም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ካብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ከባቢ ሸራሮ ሎሚ ዝተወሰኑ ወታደራት ምክልኻል ሃገር ተላዒሎም ናብ ማእኸል ሃገር ፀጥታ ከረጋግኡ ከይዶም ክብሉ ኣማሓዳሪ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኣቶ ሙሉ መብራህቱ ገሊፆም።ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ኸአ 50 ባዶ ኣውቶቡሳት ክኸዳ ሪአ ኣለኹ ኢሉ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B5%E1%8B%AB%E1%89%A6-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8B%B2-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%B5%E1%89%83%E1%88%B1-%E1%88%B0%E1%89%A0-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/4533459.html"} {"headline":"ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ዝሰርሑ ሓሙሽተ ማሕበራት ሓባራዊ ምትእኽካብ መስሪቶም","content":"ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ዝሰርሑ ሓሙሽተ ማሕበራት ሕብረት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝተባህለ ሓባራዊ ምትእኽካብ ምምስራቶም ሎሚ ኣፍሊጦም። እቶም ማሕበራት ዝጸንሓ አዋጅ ትካላት ገበርቲ ሰናይን ሲቪክ ማሕበረሰባትን ዕንቅፋት ኮይንዎም ከምዝጸንሓን ነቲ አዋጅ ንምምሕያሽ ኣብ ዝተታሓሓዘ ጻዕሪ’ውን ተስፋ ጌሮም ኣለው። ኣብታ ሃገር ይረአ ዘሎ ለውጢ’ውን ንስርሖም ዝሕግዝ ምኳኑ ገሊጾም ኣለው። ተተካኢ ዳይሬክተር ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት(ሰመጉ) አቶ ቢንያም አባተ ኣብ ዝሓለፈ 26 ዓመታት ዒላማ ኾይና ዝጸናሕና ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲን ካልኦት አካላት መንግስቲን ዝፍጸሙ ዝነብሩ ምግሃሳት ሰብኣዊ መሰላት ስለዘቃላዕናዮ’ዩ ይብሉ ሎሚ ግን ኩነታት ተቀይሩ መንግስቲ ባዕሉ ብዛዕባ ዝፍጸሙ ምግሃሳት መሰላት ክዛረብ ጀሚሩ’ሎ ይብሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%88%91-%E1%88%93%E1%88%99%E1%88%BD%E1%89%B0-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%89%A3%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A6%E1%88%9D\/4531834.html"} {"headline":"መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ምስ ምንቅስቃስ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት ኣምሓራ ናይ ዕርቂ ስምምዕ ፈሪሙ","content":"ትማሊ ናብ ኤርትራ ዝኸደ ልኡኽ ክልል ኣምሓራ ኢትዮጵያ ምስ ምንቅስቃስ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ኣስመራ ተራኺቦም፡ ተዘራሪቦም። ተወከልቲ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ምስቲ ምንቅስቃስ ናይ ዕርቂ ስምምዕነት ሎሚ ኣብ ኣስመራ ምፍራሞም ሚንስተር ዜና አቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሮም ኣለው። ብመሰረት’ቲ ስምምዕ ምንቅስቃስ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት ኣምሓራ ናብ ሃገር ውሽጢ ብምእታው ብሰላማዊ መንገዲ ፖለቲካዊ ተሳትፍኡ ከካይድ ከምዘክእል ተገሊጹ’ሎ ክብል መራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር'ውን ጸብጺበን ኣለዋ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%88%B5%E1%89%83%E1%88%B5-%E1%8B%B2%E1%88%9E%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%88%B2%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%83%E1%88%AB-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%95%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%8D%88%E1%88%AA%E1%88%99\/4531748.html"} {"headline":"ድሕሪ ዑደት ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ብዙሓት ኢትዮጵያዊያንን ንሃገሮም ንምሕጋዝ ምልዕዓል የርእዩ ኣለው ክብሉ ኣምባ. ካሳ ተክለብርሃነ ገሊጾም","content":"ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ኣቶ ካሳ ተክለብርሃነ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ተረኺቦም ብዛዕባ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኣሜሪካ ዘካይድዎ ዑደት ብዝምልከት ቃለ መጠይቕ አካይዶም ኔሮም።ንሶም ድሕሪ እቲ ርክብ ቀ\/ሚ አብይ አሕመድ ብዙሓት ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ንሃገሮም ንምሕጋዝ ዝለዓለ ምልዕዓል የርእዩ ኣለው ኢሎም። ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ኣቶ ካሳ ተክለብርሃን ናይ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ኣሜሪካ ዑደት ዝተርኣየ ዓወት ዝዓበየ ተራ ዝተፃወቱ ኣባላት ማሕበረሰብ ዳያስፖራ እዮም ኢሎም።። “ፍሉይ ዝገብሮ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን እቲ ኤምባሲን ብሓባርን ጥምረትን ነቲ ምድላው ዝመርሕሉ እዩ ነይሩ።በዚ ምኽንያት እውን ይመስለኒ ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝርኣናዮም ዓወታት ንላዕሊ ዓወት ዝተመዝገበ።ብናትና ገምጋም ዕዉት ነይሩ ዝብል እዩ።” “ብቁፅሪ እንተሪኢና ክንዲ’ዚ ዝኸውን ህዝቢ ወፂኡ ኣይፈልጥን።ሓደ ዓወት እዚ እዩ።ኣብ ኮንቨንሽን ሴንተርን፣ሎስኣንጀለስ፣ሚኒሶታ ኣስታት 100 ሽሕ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ተረኺቦም እዮም።ኣብ ነኣሽቱ መድረኻት 1,500 ሰባት ኣብ ዝፀዋዕናሉ ክሳብ 7,000 ህዝቢ ተሰሊፉ ነይሩ።ሰበ መሊኡ ተሪፉ ብዙሕ ሰብ ተመሊሱ እዩ።” ኣምባሳደር ካሳ ብተወሳኺ ካልእ እቲ ዑደት ዕውት ምንባሩ መግለፂ ኩሉ ዓይነት ክፋል ሕብረተሰብ ዝተረኽበሉ እዩ ኢሎም። “ተቓዋሚ ክኸውን ይኽእል፣ደጋፊ ክኸውን ይኽእል፣ነፃ ክኸውን ይኽእል።ኢትዮጵያዊን ትውልደ ኢትዮጵያን ዝኾነ ኩሉ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ዘርኢ ወይ ሕብሪ ሃይማኖትን ፖለቲካዊ ሰልፊ ከይፈለየ ዝተረኽበሉ ምዃኑ ካልእ ናይ ዓወት መግለፂ እዩ።” ኣብ መንጎ ሃይማኖታትት ዝነበረ ኣፈላላይ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብ ዝተረኽብሉ ዕርቂ ምፍጣሩን ኣብ መወዳእታ ኣስታት 43 መራሕቲ ሃይማኖት ምስ ቀዳማይ ሚንስተር አብይ አሕመድ ተሳፊሮም ናብ ሃገሮም ምምላሶም ታሪካዊ ነይሩ ኢሎም። ኣብ ተኸተልቲ ሃይማኖት እምነት እስልምና እውን ቀዳማይ ሚንስተር ኣብ ዝተረኸብሉ ስለ ዕርቅን ስለ ሰላምን ስለ ሓድነትን ኢትዮጵያዊያን ኣመንቲ እስልምና ኣብ ኢትዮጵያ ብዘለዎም ተራ ጎሊኡ ዝተርኣየሉ እዩ ኢሎም። ኣምባሳስደር ካሳ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ንዘቕረቡዎ ካብ ሓደ ማኪያቶ ሓደ ዶላር ሕቶ ብዙሓት ኢትዮጵያዊያን ንሃገሮም ንምሕጋዝ ምልዕዓላት የርእዩ ኣለው ኢሎም። ብሞይኦም ሓገዝ ንምሃብ ዝኽእሉ ብዙሓት ሰብ ሞያ ንባዕሎም ወዲቦም ፕሮፖዛልል ዘቕረቡ ኣለው።ኣብ ቁጠባ ቴክኖሎጂ ኣብ ምሃብ ኣገልግሎት ኣብ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ኣገልግሎት ንምሃብ ዝደልዩ ኣለው። እቲ ኤምባሲ ከምዚ ዝበለ ብዙሕ ህዝቢ ዝተሳተፈሉ ምድላው ኣዋዲዱ ስለዘይፈልጥ ኣወንታዊነትን ዓወትን ጥራሕ ከይኮነስ ቅሬታ ዝተስተውዓለሉ ከምዝነበረ እውን ኣምባሳደር ካሳ ተክለ ብርሃን ገሊፆም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%89%A5%E1%8B%99%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8C%8B%E1%8B%9D-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8B%A8%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%A9-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3-%E1%8A%AB%E1%88%B3-%E1%89%B0%E1%8A%AD%E1%88%88%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%83%E1%8A%90-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/4531632.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ወነንቲ ናብ ሑመራ ዘምርሓ ዝነበራ መካይን ንብረትና ብፖሊስ ተአጊዱ ክብሉ ይኸሱ","content":"ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናብ ከተማ ሰቲት ኢሎሑመራ ይጓዓዛ ዝነበራ ንብረት 68 ነጋዶ ዝፀዓና 2 መካይን፤ ከተማ ደባርቅ ምስ በጽሓ ፖሊስ ሒዙ እቲ ንብረት ብምርጋፍ ክእገድ ተገይሩ ክብሉ ንብረቶም ዝተትሓዞም ነጋዶ ጠሪዖም። ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ደባርቅ ዋና ኢንስፔክተር ውቤ ተዘራ እቲ ንብረት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓለ ብጉጅለ ኮይኖም ንብረት ንምቅፃልን ንምዝራፍን ካብ ዝፈተኑ ንምድሓን እዩ ኢሎም። እቶም ዝፈተኑ ኣካላት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ዶ? ተባሂሎም ተሓቲቶም “ ብዙሓት መናእሰይን ህዝብን ከመይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክተውዕል ትኽእል” ዝብል ምላሽ ሂቦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%88%E1%8A%90%E1%8A%95%E1%89%B2-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%91%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8B%98%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%93-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AB-%E1%88%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5%E1%8A%93-%E1%89%A5%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%89%B0%E1%8A%A0%E1%8C%8A%E1%8B%B1-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8B%AD%E1%8A%B8%E1%88%B1\/4531440.html"} {"headline":"ቁጽሪ ንድሕነቶም ብምስጋእ ካብ ጅቡቲ ዝሃደሙ ኢትዮጵያዊያን 4ሽሕ በጺሑ","content":"ቁጽሪ ንድሕነቶም ብምስጋእ ካብ ጅቡቲ ዝሃድሙ ኢትዮጵያዊያን 4 ሽሕ ከምዝበጽሓ ምክትል ኮሚሽነር ምክልኻል ሓደጋን ድልውነትን አቶ ለሙ አለካ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም። ንሶም ብተወሳኺ መብዛሕትኦም ተወላዶ ኦሮሞ ዝኮኑ እዞም ኢትዮጵያዊያን ጥሪቶምን ገንዘቦምን ሓዲጎም ህይወቶም ንምድሓን ይሃድሙ ኣለው ክብሉ ገሊጾም ኣለው። ካብኣቶም እቶም 2ሽሕ ኣብ ወረዳታት ምዕራብ ሃረርጌ ከምዝሰፈሩ ኣቶ ተኽለ ዳርስ ንድምጺ ኣሜሪካ ወሲኾም ሓቢሮም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%88%95%E1%8A%95%E1%8A%90%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8C%8B%E1%8A%A5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8C%85%E1%89%A1%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%99-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-4-000-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%88%91-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4531315.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ዝተፈጸመ ቅትለት 4 ሰባት ምእሳሮም ተገሊጹ","content":"ምምሕዳር ክልል ኦሮምያን ኮሚሽን ፖሊስን ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ቦምብ ሒዙ’ሎ ተባሂሉ ብዘስካሕክ ኣገባብ ዝሞተ ሰብ ዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ መንግስቲ’ቲ ክልል ጽኑዕ ምርመራ የካይድ ከምዘሎ ሓቢሮም። መንግስቲ’ቲ ክልል ነቲ ዘይሰብኣዊ ተግባር ዝበሎ ፍጻሜ ዝተሰምዖ ከቢድ ሓዘን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኼሽን ዶ\/ር ነገሬ ሌንጮ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም። “ዝሞተ ወዲ ሰብ’ዩ ክቡር ዝኾነ ህይወት’ዩ ሓሊፉ ኣዝዩ ዘሰኻሕኽሕ ፍጻሜ ብዝኾነ ኩነታት’ዩ ተቐቲሉ ዓብይ ጓሂ’ዩ ተሰሚዑና። ነዚ ዝፈጸሙ ንምሓዝ ብዝተገብረ ጻዕሪ 4 ዝኾኑ ተአሲሮም አለው ዝሃደሙ ንምሓዝ ይሰርሕ’ሎ።” ምሉእ ትሕ ዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%BB%E1%88%B8%E1%88%98%E1%8A%94-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%98-%E1%89%85%E1%89%B5%E1%88%88%E1%89%B5-4-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%88%93%E1%8B%9E%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4530168.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር 2.8 ሚልዮን ምብጽሑ ዩኒሴፍ ሓቢሩ","content":"ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ህጻናት አድሕን ( ዩኒሴፍ) ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ካብ 1.6 ሚልዮን ናብ 2.8 ሚልዮን ክብ ከምዝበለ ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኢትዮጵያ ልዕሊ 920 ሽሕ ዝኾኑ መብዛሕትኦም ሶማልያዊያን፡ ደቡብ ሱዳናዊያንን ኤርትራዊያንን ስደተኛታት ተተአናግድ አላ ኢሉ’ሎ። ብተወሳኺ ኣብዚ ሕጂ ጊዜ እዋን ክረምታዊ ውሕጅ ብምዃኑ 2.5 ሚልዮን ሰባት በዚ ክጽለው ትጽቢት ተጌሩ’ሎ ዝበለ ዩኒሴፍ ቁጽሪ ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ካብቲ ዘለዎ ንላዕሉ ክውስስኽ ከምዝኽእል’ውን ሓቢሩ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%8B%8D%E1%88%BD%E1%8C%A2-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-2-8-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%88%91-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%88%B4%E1%8D%8D-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/4530156.html"} {"headline":"ጉጅለ ልኡኽ ክልል ኣምሓራ ኢትዮጵያ ኤርትራ ኣትዩ","content":"ብናይ ክልል ኣምሓራ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኼሽን ኣቶ ንጉሱ ጥላሁንን ኮሚሽን ፖሊስ'ቲ ክልል ኣቶ ዘልአለም ልጅአለምን ዝተመርሓ ጉጅለ ልኡኽ ክልል ኣምሓራ ኢትዮጵያ ሎሚ ረቡዕ ኣስመራ ኣትዩ። እቲ ልኡኽ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓሉ ግዜ ድማ ምስ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ከምዝራኸብ ተገሊጹ’ሎ። ይኹንምበር ዕላማ ናይቲ ልኡኽን ኣይተሓበረን። ኣቐድም ኣቢሉ ኣመሓዳሪ ክልል ኦሮምያ ኣቶ ለማ መገርሳ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ወርቅነህ ገበየሁ ብምዃን ኣብ ኤርትራ ምብጽሖምን ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ናይ ኦሮሞ ነጻነት ግንባር(ኦነግ) ተራኺቦም ስምምዕ ምፍርራሞም ይዝከር። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%93%E1%88%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%A8%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%95\/4529601.html"} {"headline":"ቅትለትን ምምዝባልን ዜጋታት ኣብ ክልል ኦሮሚያ","content":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ወረዳ ዚቡስሬ ክልተ ሰባት ብዘስቅቕ ከምዝተቐትሉ ስድራ መዋቲ፣መሰኻኽር ዓይንን ኣማሓዳሪ ናይታ ወረዳን ገሊፆም ኣለው። ኣማሓዳሪ እታ ወረዳ ኣቶ ኣበራ ያዴታ እቲ መቕተልቲ ምርመራ እናተገበረ ምዃኑን መቕተልቲ ኣብዝተፈፀመሉ እዋን ዝነበሩ ክልተ ፖሊስ ስለምንታይ ኣብ ቅድሚኦም ከምዚ ኮይኑ ብዝብል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምእታዎም ሓቢሮም።ንሱ ብተወሳኺ እቶም ፖሊስ ጥርጡራት ከምዘይኾኑ ሓቢሩ'ሎ። ካልኦት ክልተ ሰባት እውን ከምኡ ኣብ ቁፅፅር ከምዝርከቡን እዚኦም እውን ተጠርጠርቲ ከምዘይኮኑን ኣቶ ኣበራ ሓቢሮም። ብኻሊእ ዜና ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ኢሉባቡር ወረዳ ሁሩሙ ፍሉይ ሽሙ ቶማዮቢ ብሰፈራ ቅድሚ 33 ዓመታት ናብቲ ከባቢ ብሰፈራ ዝኸዱ 19 መራሕቲ ስድራ ንብረቶን ገዛውቶም ተወሪሩ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዓቑቦም ከምዝርከቡ ገሊፆም ኣለው። ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/killings-and-displacments-in-oromia-region\/4530112.html"} {"headline":"ንሓሙሽተ መዓልታት መዕረፊ ስኢና ዝጸንሓት ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ማልታ ኣትያ","content":"ንዝሓለፈ ሓሙሽተ መዓልታት መዕረፊ ወደብ ስኢና ዝጸንሓት 114 ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ አኳይረስ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ወደባት ማልታ ኣትያ። ማልታ እታ ወደብ ክትዓርፍ ዘፍቐደት ትማሊ ሶሉስ ሓሙሽተ ሃገራት ኣውሮጳ ነቶም ኣብታ መርከብ ዘለው ስደተኛታት ከምዝቕበላ ድሕሪ ምፍላጠን’ዩ። No media source currently available ብመሰረት ሓበሬታ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት 70 ካብቶም ኣብታ መርከብ ዘለው ስደተኛታት ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ምዃኖም ይሕብሩ። ፈረንሳ፡ጀርመን፡ለግዘንበርግ፡ፖርቱጋልን ስጳኛን ብተወሳኺ ኣቐዲሞም ናብ ማልታ ዝኣተው ካልኦት ስደተኛታት ከምዝቕበላ ሓቢረን ኣለዋ። ማልታ ኣቐዲማ እቶም ስደተኛታት ናብታ መርከብ ዘላቶ ቦታ ዝቐርብ ወደባት ሊብያ፡ቱኒዝያ ወይ ላምፓዱዛ(ኢጣልያ) ክውሰዱ ኣለው ክትብል ክትነጽጎም ምጽንሓ ይፍለጥ። ነቶም ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ኣብ ወደባት ማልታ ኣብ ዝኣተወትሉ እዋን አባላት የማናዊ ጽንፊ ዝኾኑ ሰባት “ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ደው ይበል” ዝብል ፖስተር ብምሓዝ ሰልፊ ዘካየዱ ክኾኑ ከለው ንምምጻእ እቶም ስደተኛታት ዝድግፉ ካልኦት ድማ “ ኩሉ ሰብ ብህይወት ክነብር ኣለዎ” ዝብሉ’ውን ኣብቲ ቦታ ሰልፊ ምክያዶም ተገሊጹ’ሎ። ምስዚ ብዝተሓሓዝ አባላት ነዚ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ዘካየዶ ዘይመንግስታዊ ትካል ‘ሓካይም ብዘይዶብ” እቶም ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ንጊልያነት ምሻጥ፡ ግዱድ ስራሕን ጾታዊ ዓመጽን ተቃሊዖም ከምዝነበሩ ምሕባሮም ገሊጾም። ኣመሓዳሪ’ቲ ትካል ፍሎሪን ዌስፋል ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ 40 ካብቶም 70 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ትሕቲ ዕድመ 15 ምኳኖም ሓቢሮም። ብተወሳኺ ክልተ ነፍሰ ጾር ደቂ ኣንስትዮ ከምዘለዋ ገሊጾም። ንሶም “ ወዲ 16 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ ብጊልያነት ተሸይጡ ን6 ኣዋርሕ ኣብ ግዱድ ስራሕ ተዋፊሩ ምንባሩ ሓቢሩኒ\" ኢሎም። እቲ ትካል ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ሓላፍነቶም ፈሊጦም ክሰርሑ ጸዊዖም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%88%93%E1%88%99%E1%88%BD%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8B%95%E1%88%A8%E1%8D%8A-%E1%88%B5%E1%8A%A2%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8B%93%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5-%E1%88%9B%E1%88%8D%E1%89%B3-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%AB\/4529648.html"} {"headline":"መንግስቲ ክልል ትግራይ ፖለቲካዊ ውድባት ናብ ሃገር ኣትዮም ሰላማዊ መንገዲ ክንቀሳቀሱ ጸዊዑ","content":"ቅድሚ ሓደ ወርሒ ብረታዊ ቃልሲ ደው ከምዘበለ ዘፍለጠ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ህዝቢ ትግራይ (ደምህት) ኣባላቱን ኣመራርሕኡን ኣብ ትግራይ ኣትዮም ብሰላማውን ሕጋውን መንገዲ ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ ከካይዱ መንግስቲ ትግራይ ፀዊዑ። መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ትግራይ ኣትዮም ብሰላማውን ሕጋውን መንገዲ ንክሳተፉ ንምግባር ድልው እየ ኢሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%8A%AD%E1%8A%95%E1%89%80%E1%88%B3%E1%89%80%E1%88%B1-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%91\/4528217.html"} {"headline":"ኣብ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ 41 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ዜጋታት ብዝፈፀምዎ መጥቓዕቲ 41 ሰባት ክቕተሉ ከለው ካልኦት 20 ሰባት ድማ ምቑሳሎም ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ምብራቕ ሃረርጌ ምስኪ መሓመድ ገሊፀን። “ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት እዮም መጥቓዕቲ ፈፂሞም።ጉዳይ ዶብ ዘይኮነ ምስፍሕፋሕ መሬት እዩ።ምኽንያቱ እዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ከባቢ ዶብ ኣይኮነን ዝተቐትሉ።ኣብ መረበቶም፣ኣብ ገዛውቶም፣ኣብ ከባቢኦም ህይወቶም ዝስኣኑ ንፁሃን ዜጋታት እዮም።” ብዛዕባ እዚ መብርሂ ዝሃቡ ኣብ ሚንስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዳይረክቶሬት ዳይረክተር ኢንዶክትሪኔሽን እዚ ደቡብ ምብራቕ ኮሎኔል ተኽላይ ገብረእግዛብሄር ግጭት ከምዝነበረ ብምግላፅ ካብ ክልቲኦም ወገናት ጥርዓን ከምዝቐርብ ገሊፆም። ካብ ክልል ሶማሌ ዝመፀና ክሲ ቶኽሲ ምስተጀመረ ሓይልታት ምክልኻል ኣይበፅሑልናን፣ኣብ ሩጌ ቶኽሲ ምስዝተጀመረ ንኦሮሚያ ዝበፅሐሎም ስለምንታይ ብዕጡቓት ኦሮሚያ ኣብ ማዩ ወረዳ ዓደይን ክንቕተል ከለና ዘይበፅሑልና ዝብል ክሲ ኣሎ።ኦሮሚያ እውን ምክልኻል ኣለው እናበልና ዜጋታትና ተቐቲሎምና ዝብል ኣሎ።ስለዚ ክልቲኦም እዮም ዝኸሱና ዘለው።ካብ ሓደ ወገን ጥራሕ ኣይኮነን ክብሉ ኮሎኔል ተኽላይ አረዲኦም። ኣብ ክልል ሶማሌ ወሪዱ ዝተባህለ ጉዳኣት ንምፅራይ ዝገበርናዮ ፈተና ኣይተዓወተን ክብል ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ አዳማ ሓቢሩ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%89%95-%E1%88%83%E1%88%A8%E1%88%AD%E1%8C%8C-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%98-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-41-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/4528455.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ አዳማ ዝርከብ መዕቆቢ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ 1 ሰብ ሞይቱ፡30 ቆሲሎም","content":"ትማሊ ሶኑይ ኣብ መንጎ ካብ ክልል ሶማሌ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ኣዳማ ዘተዓቑቡ ነበርቲ እቲ ከባቢን ብዝተፈጥረ ግጭት ሓደ ሰብ ተቐቲሉ ኣስታት 30 ሰባት ምቑሳሎም ፖሊስ እታ ከተማ ኣረጋጊፁ።ብሰንኪ እቲ ግጭት ካብ ሶማሊያ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ዝርከብሉ ግዚያዊ መዕቖቢ ተቓፂሉ’ሎ። እቲ ግጭት ኣብቲ ከባቢ ብሰንኪ ዝካየድ ምኹዓት እምኒ ክልቲኦም ወገናት ይግብኣኒ ብዝብል ዘይምርድዳእ ከምዝተፈጥረ ይገልፁ።ቤተ ክርስቲያን ከምዝተቓፀለን ናይ እምነት ግጭት ከምዝነበረን ተገይሩ ዝተነዝሐ ናይ ሓሶት ወረ እቲ ግጭት ብዝኸፍአ ክገድድ ከምዝገበረ ፖሊስ ገሊፁ’ሎ።ወኪል ድምዚ ኣሜሪካ ካብቲ ቦታ ብምኻድ ዝተቓፀለ ቤተ ክርስቲያን ከምዘየለ ኣረጋጊፀ ኣለኹ ይብል። እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ይኽሰቱ ዘለው ዘይሕጋዊ ተግባራትን ስርዓት ኣልቦነትን ደው ክብል ጉባኤ ሃይማኖታዊ ትካላት ኢትዮጵያ ፀዊዑ። ሸውዓተ መስረቲ ኣባላት ዝሓቖፈ እዚ ጉባኤ ብሓባር ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብዝሃብዎ ቃል ‘’ኩሎም መራሕቲ ሃይማኖት ኣብታ ሃገር ይፍጠር ዘሎ ፀገም ብምውጋዝ እቲ ሕጊ ብዝፈቕዶ መንግስቲ ንልዕልነት ሕጊ ከኽብር ምሕታቶም ሓቢሮም። ሚንስተር ድኤታ ጉዳያት ፌደራልን ልምዓት እንስሳት ብምርባሕ ዝመሓደሩን ኣቶ ኣወል ወግሪስ ቤት ፅሕፈቶም ነቲ ኩነታት ንምርግጋእ ምስ ትካላት ሃይማኖት ሓቢሩ ከምዝሰርሕ ገሊፆም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8A%A0%E1%8B%B3%E1%88%9B-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%95%E1%89%86%E1%89%A2-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%98-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-1-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B1-30-%E1%89%86%E1%88%B2%E1%88%8E%E1%88%9D\/4528402.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ኣብ መጥቓዕቲ ቦምብ ሰልፊ ወርሒ ሰነ ተጠርጢሮም ዝተአስሩ 10 አባላት ፖሊስ ብዋሕስ ክፍትሑ ተወሲኑ","content":"ንቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ንምድጋፍ ኣብ ኣደባባይ መስቀል 16 ሰነ 2010 ዓ.ም ኣብዝተዳለወ ሰልፊ ብዝተፈፀመ ናይ ቦምብ መጥቓዕቲ ብዝተኣሳሰረ ተኣሲሮም ዝፀንሑ ምክትል ኮሚሽነር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ግርማ ካሳ ሓዊሱ 10 ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ብዋሕስ ክፍትሑ ፌደራል ቤት ፍርዲ ውሳነ ኣሕሊፉ። እቲ ቤት ፍርዲ ብሸለልትነት ጉድለት ስራሕ ፈፂሞም ብዝብል ተጠርጢሮም ዝነበሩ ምኽትል ኮሚሽነር ግርማ ካሳን 10 ካብ ኮማንደር ክሳብ ሳጂንነት ማዕረግ ዘለዎምን ኣባላት ፖሊስ ክኾኑ ከለው ምኽትል ኮሚሽነር ግርማ ካሳ ብ15 ሽሕ ብር ካልኦት ኣባላት ፖሊስ ድማ ካብ 9 ክሳብ 6 ሽሕ ብር ብምትሓዝ ንክፍትሑ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ። 16 ሰነ ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ብቐጥታ ተሓተቲ እዮም ኣብ ልዕሊ ዝተባህሉ ተጠርጠርቲ ዓቃቢ ሕጊ ክሲ ንከቕርብ ቤት ፍርዲ መዓልቲ ፈሊዩ ኣዚዙ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%89%A6%E1%88%9D%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%88%92-%E1%88%B0%E1%8A%90-%E1%89%B0%E1%8C%A0%E1%88%AD%E1%8C%A2%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%A0%E1%88%B5%E1%88%A9-10-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%89%A5%E1%8B%8B%E1%88%95%E1%88%B5-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%91-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B2%E1%8A%91\/4528367.html"} {"headline":"ኣትሌት ፈይሳ ሌሊሳ ናብ ኢትዮጵያ ክምለስ'ዩ","content":"ኣብ ውድድር ኦሎምፒክ ሪዮ ተዓዋቲ ብሩር መዳልያ ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ፈይሳ ሌሊሳ ንዝፍጸሙ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ናይ ተቓውሞ ምልክት ኣብቲ ውድድር ድሕሪ ምርኣዩ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣብ ኣሜሪካ ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ምስ ስደራቤቱ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝምለስ ኣፍሊጡ። ንሱ ነዚ ዘፍለጠ ናይ ኢትዮጵያ ኦሎምፒክ ኮሚቴን ኣትሌቲክስ ፌደረሽንን ኣትሌት ፈይሳ ሌሊሳ ናብ ሃገሩ ክምለስ ፃውዒት ድሕሪ ምቕራቦም ኮይኑ፡ ናይ ጅግና ኣቀባብላ ከምዝግበረሉ እቲ ኮሚቴ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ገሊፁ’ሎ። ኣትሌት ፈይሳ ሌሊሳ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ቶክዮ ንዝካየድ ውድድር ኦሎምፒክ ንምስታፍ ኣብ ልምምድ ከምዘሎ’ውን ሓቢሩ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%88%8C%E1%89%B5-%E1%8D%88%E1%8B%AD%E1%88%B3-%E1%88%8C%E1%88%8A%E1%88%B3-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%A9-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%88%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4528350.html"} {"headline":"ቃለ-መጠይቕ ምስ ዶ\/ር አረጋዊ በርሀ","content":"ድሕሪ 30 ዓመታት ኣብ ትግራይ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ዑደት ዝገበሩ ካብ መስረቲ ህወሓት ሓደ ዝኾኑ ዶክተር አረጋዊ በርሀ መነባብሮ ሕብረተሰብ ንሶም ትፅቢት ካብ ዝገበርዎ ንታሕቲ ከምዝፀንሖም ተዛሪቦም። ኣብ ፎረም ምሕደራ ትግራይ ንምንቅስቓስ መናእሰይ “ቄሮን ፋኖን” ምስጋና ዘቕረብዎ ሕብረተስብ ብግጉይ ኣተሓሳስባ ተረዲኡዎ ኣሎ ድማ ኢሎም ኣለዉ። ኣብ ዑደቶምን ቀፃሊ ኣንፈት ቃልሶም ጠሚቱ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%8A%A0%E1%88%A8%E1%8C%8B%E1%8B%8A-%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%88%80\/4528223.html"} {"headline":"ሓሙሽተ ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንመዓልታት ዝጸንሑ ስደተኛታት ክቕበላ ምውሳነን ኣፍሊጠን","content":"ፈረንሳ፡ስጳኛ፡ጀርመን፡ፖርቱጋልን ለዝምበርግን መዕረፊ ስኢኖም ንዝጸንሑ 141 ስደተኛታት ከምዝቕበሉ ኮሚሽን ኣውሮጳ ሎሚ ሶሉስ ኣፍሊጡ። ነዚ ዘፍለጡ ኮሚሽነር ክፍሊ ኢምግሬሽን ኮሚሽን ኣውሮጳ ዲሚትሪ ኣቭራምፖሎስ ሕብረት ኣውሮጳ ንጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከት ነባሪ ፍታሕ ከዳልው ኣለዎ ኢሎም። “ንግዚኡ ጥራይ ዘገልግሉ ስምምዕ ኣብ ምቕራብ ክንውሰን የብልናን ነባሪ ፍታሕ የድልይ እዩ። እዚ ድማ ሓላፍነት ሓንቲ ሃገር ወይ’ውን ውሑዳት ሃገራት ኣይኮነን፡ ሓላፍነት ሕብረት ኣውሮጳ እዩ።” ንማእከላይ ባሕሪ ቅርበት ዘለወን ማልታን ኢጣልያን ብዘይመንግስታዊ ትካል ዝውነና መራኽብ ዝደሓኑ ስደተኛታት ከምዘይቕበላ ብምፍላጣን እቶም ስደተኛታት ካብ ዓርቢ ጀሚሮም ኣብ ባሕሪ ምጽንሖም ይፍለጥ። እታ ብዘይመንግስታዊ ትካል ‘ሓካይም ብዘይዶብ” ትውነን መርከብ አኳይረስ ኣቐዲማ’ውን 630 ስደተኛታት ጽዒና ንመዓልታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ድሕሪ ምጽንሓ ስጳኛ ነቶም ስደተኛታት ምቕባላ ይዝከር። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ መንግስቲ ጂብላልተር እታ መርከብ ባንዴራ ሓለዋ ባሕሪ ጂብላልተር ክትሕዝ ከምዘይፍቐደላ ሓቢሩ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%88%99%E1%88%BD%E1%89%B0-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%88%AE%E1%8C%B3-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8B%E1%8B%AD-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%91-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%89%95%E1%89%A0%E1%88%8B-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A0%E1%8A%95\/4528059.html"} {"headline":"ፈደራል ቤት ፍርዲ ዓቓቢ ሕጊ ኣብ ናይ ወርሒ ሰነ ሰልፊ መጥቓዕቲ ቦምብ ንዝተጠርጠሩ ክሲ ክምስረት ፍቓድ ሂቡ","content":"ፈላማይ ደረጃ ፈደራል ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ተረኛ መጋባእያ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ንቀዳማይ ሚንስተር አብይ አሕመድ ዝተኻየደ ናይ ደገፍ ሰልፊ መጥቃዕቲ ቦምብ ፈጺሞም ተባሂሎም ኣብ ልዕሊ ዝተጠርጠሩ ሰባት ክሲ ክምስርት ፈቂዱ። ኮሚሽን ፖሊስ ከተማ አዲስ አበባ ምኽትል ኮሚሽነር ሓዊሱ ናይ ካልኦት መኮንናት ፖሊስ ጉዳይ ዋሕስ ንምውሳን ጽባሕ ቆጸራ ሂቡ’ሎ። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ጥላሁን ጌታቸው ዝተባህለ ተጠርጣሪ ቦምብ ብምትኳስ ብርሃኑ ዳፍር ከአ ነቲ ቦምብ ንጥላሁን ብምሃብን ካልኦት ተጠርጠርቲ ነቲ ቦምብ ብመኪና ናብ መስቀል አደባባይ ብምጉዓዝ ተኸሲሶም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%8B%93%E1%89%93%E1%89%A2-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%88%92-%E1%88%B0%E1%8A%90-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%89%A6%E1%88%9D%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%A0%E1%88%AD%E1%8C%A0%E1%88%A9-%E1%8A%AD%E1%88%B2-%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%89%93%E1%8B%B5-%E1%88%82%E1%89%A1\/4526874.html"} {"headline":"ኣብ ስታድየም ሻሸመኔ ብዝተፈጥረ ምጽቕቓጥ 3 ሰባት ሞይቶም","content":"ትማሊ ሰንበት ኣብ ስታዲዮም ሻሸመኔ ንጃውሃር መሓመድ ንምቕባል ኣብዝተዳለወ ስነስርዓት ብዝተፈጥረ ምፅቕቓጥ ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት 71 ድማ ከምዝቖሰሉ ፖሊስ ናይታ ከተማ ኣፍሊጡ።ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ዝተፈፀመ ግፍዒ ንባህልና ኣይውክልን ክብሉ ነበርትን ሰበስልጣን እታ ከተማ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም። ዋና ኣካያዲ ስራሕ ቴሌቭዥን ናይ ኦሮሞ ሚዲያ ኔት ዎርክ ጀውሃር መሓመድ ምስ ህዝቢ ንምርኻብ ናብ ሻሸመኔ ኣብ ዘምርሓሉ ንዕኡ ንምቕባል ኣብ ስታድዮም ህዝቢ ኣብ ዝተአኸበ ኽከውን ከሎ እቲ ግጭት ዝተለዓለ ሓደ ሰብ ቦምብ ሒዙ ብዝብል ብዝተፈጥረ ናይ ሓሶት ወረ መጥቓዕቲ ተፈፂሙ ንሱን ካልኦት ክልተ ሰባትን ምሟቶም ገሊፆም። እቲ መቕተልቲ ንኦሮሞ ኣይገልፅን ክትብል ሓንቲ ወሃቢት ርእይቶ ገሊፃ።ካልእ ነባሪ እውን ኣዚዩ ከምዘሕዘኖ ይገልፅ። “ትማሊ ኣብ ሻሸመኔ ዝተፈፀመ ነገር ኣዚዩ ኣዚዩ ኣሕዚኑኒ እዩ።ዝተሰቐለ ሰብ ኣውርድዎ ኢልና ኣብ እግሮም ወዲቕና ክሳብ ምልማን በፂሕና።ነዚ ዝፍፅሞ ኣይንፈልጥን።” እቲ ሰብ ቦምብ ሒዙ ዝብል ዝተነዝሐ መሰረት ዘይብሉ ወረ ህይወት ሰብ ብዘይኣግባብ ምጥፍኡ ኣዚዩ ኣሕዚኑና ዝበለ ፖሊስ እታ ከተማ ዋላ ሓደ ቦምብ ኣይተረኽበን ኮነ ተባሂሉ ህውከት ንምፍጣር ዝተነዝሐ እዩ ኢሎም ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ሻሸመኔ ኮማንደር መኮነን ታደሰ። “እቲ ሕብረተሰብ እውን ኣዚዩ ተሰሚዑዎ እዩ።ብመንፅር ባህሊ፣ሕጊ፣ኣዚዩ መነወሪ ዘሕፍር ተግባር እዩ ተፈፂሙ።ዋላ ሓደ ነገር ዘይገበረ ሰብ ከምዚ እዩ ስለዝተብሃለ ኣባሪርካ ከምዚ ምግባር ኣግባብ ኣይኮነን።እቲ ሰብ ዝሓዞ ቦምብ የለን ኣብታ ከተማ ዝተረኽበ ቦምብ እውን የለን።” ኣዛዚ ፖሊስ እታ ከተማ ኮማንደር መኮነን ታደሰ ጥራይ ዝባኑ ስለ ዝነበረ መንነት ወረቐት ይኹን ካልእ ብዘይምርካቡ መንነት መዋቲ ክሳብ ሕዚ ኣይተፈልጠን ስድርኡ ንምርካብ እናተሰርሐ እዩ ኢሎም ኣለው ። ከንቲባ ከተማ ሻሸመኔ ኣቶ ደስታ ብወገኑ ነዚ ገበን ዝፈፀሙ ገበነኛታት ኣብ ዝኣተውዎ ኣቲና ክንሕዞም ኢና ኢሎም ኣለው። ኣብቲ ስታድዮም ብዝወረደ ፅቕጥቕጥ 71 ሰባት ቖሲሎም ሆስፒታል ከምዝኣተው ፖሊስ ገሊፁ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%8B%B5%E1%8B%A8%E1%88%9D-%E1%88%BB%E1%88%B8%E1%88%98%E1%8A%94-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%A8-%E1%88%9D%E1%8C%BD%E1%89%95%E1%89%93%E1%8C%A5-3-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/4526859.html"} {"headline":"ላዕለዋይ መሪሕነት ኦብነግ አዲስ አበባ ኣትዩ","content":"ግንባር ነጻነት ኦጋዴን(ኦብነግ) ዘካይዶ ዝነበረ ዕጥቃዊ ቃልሲ ደው ከምዘበለ ብምሕባር ላዕለዋይ ኣመራርሓ’ቲ ግንባር ትማሊ ሰንበት አማስይኡ አዲስ አበባ ኣትዮ ኣሎ። ኣመራርሓ ግንባር ነጻነት ኦጋዴን ናብ ውሽጢ ሃገር ዝአተወን ብሰላማዊ መንገዲ ንምቅላስ ዝወሰነን ቀዳማይ ሚንስተር አብይ አሕመድ ናብ መሪሕነት ድሕሪ ምምጽኦም ሓያለ ለውጥታት ስለዝተራእዩ’ዩ ክብሉ ወሃቢ ቃል‘ቲ ውድብ ኣፍሊጦም። አባል ፈጻሚ ስራሕ’ቲ ውድብ ሻለቃ ዓሊ ሳሜረሰጋድ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ አዲስ አበባ ብስልኪ ኣብ ዝሃብዎ ቃል እቲ ግንባር ምቁራጽ ተጻብኦ ዝአወጀን ናብ ሃገር ዝተመልሰን ብሰንኪ’ቲ ዝረአ ዘሎ ለውጢ እዩ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8B%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%88%AA%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A6%E1%89%A5%E1%8A%90%E1%8C%8D-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%A9\/4526667.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ አብይ አሕመድ ንኢንዳስትራዊ ፓርክ ከተማ ጅማ በጺሖም","content":"ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ሎሚ ኣብ ኢንዳስትራዊ ፓርክ ዱከም ከተማ ጅማ በጺሖም። እቶም ቀዳማይ ሚንስተር ናብቲ ፓርክ ዝበጽሑ ምስ ገንዘቦም ኣብቲ ፓርክ ከውፍሩ ዝደልዩ ሰብ ሃብቲ ዓረብ ኢማራት ብምዃን’ዩ ክብሉ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኼሽን ከተማ ጅማ ሓቢሩ’ሎ። ቀ\/ሚ አብይ አሕመድ ብተወሳኺ ኣብ ዱከም ኢንዳስትራዊ ፓርኪ ሓዊሱ ኣብ ጅማን ቦንጋን ዝርከብ ናይ ቡን ሕርሻ በጺሖም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A0%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A0%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%95%E1%8A%A2%E1%8A%95%E1%8B%B3%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%8A%AD-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8C%85%E1%88%9B-%E1%89%A0%E1%8C%BA%E1%88%96%E1%88%9D\/4526691.html"} {"headline":"ንኣስታት 1209 ምስማዕ ዝሰዓኑ ነበርቲ ክልል ትግራይ ነጻ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ተዋሂቡ","content":"ኣብ ኣሜሪካ ሚኒሶታ ዝርከብ ስታር ኪ ሄርንግ ፋውንዴሽን ዝተባህለ ትካል ምስ ዩኒቨርስቲ መቐለ ምትሕብባር ብሓልዮትን ተገዳስነትን ዶክተር ጠዓመ እምባየ ናብ መቐለ ብምምፃእ ንምስማዕ ዝተስኣኖምን ፀገም ዘለዎምን ነበርቲ ንክልተ መዓልታት ነጻ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ሂቡ፡፡ ዶክተር ጠዓመ እምባይ እዚ ሰናይ ስራሕ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ን7ይ ግዜ ኣብ ትግራይ ደማ ን3ይ ግዘ ዝካየድ ዘሎ ምኳኑ ይፍለጥ፡፡ ኣብ ትግራይ ጥራይ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይ ዙር ብኣሻሓት ዝቁፀሩ ወገናት ከምዝሓገዘ ይሕብሩ ፡፡ ዶክተር ጠዓመ ንከምዚ ዓይነት ሕክምና ናብ ኣሜሪካ ከይድካ ንምሕካም ንሓደ ሰብ ክሳብ 6000 ዶላር ከምዘድልይ ኣብ ልዕሊ ምሕባሮም ነዚ ዓቅሚ ዘይብሉ ሕብረተሰብ ከምዚ ዓይነት ሓገዝ ክረክብ ምግባር ሕልናዊ ዕረፍቲ ይህበካ እዩ ፡፡ “ሃገርና ሃፍታ ህዝባ እዩ፡፡ ስለዚ እዚ ህዝቢ እዚ እንድሕር ክሰምዕ ዘይክኢሉ ክመሃር ምክኣል የፀግሞ ኣብ ዝብፃሕ ክበፅሕ ኣይክእልን ስለዚ ክሰምዕ ገይርካ ኣብ ትምህርቲ ነጢፉ ንባዕሎን ንሃገሩን ክክውን ምግባር እዩ እቲ ቀንዲ ዕላማና’ዩ።” ኣብዚ ዓርብን ቀዳምን ዝተካየደ ሕክምና ን1209 ሰባት ተዋሂቡ፡ 1101 ክሰምዑ እንትክእሉ እቶም ዝተረፉ ክሰምዑ ኣይከኣሉን ክብል ዶ\/ር ጠዓመ ወሲኹ አረዲኡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ካልኣይ ክፋል'ዚ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-1209-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%90%E1%8C%BB-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%9B%E1%8B%95-%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%8A%93-%E1%89%B0%E1%8B%8B%E1%88%82%E1%89%A1\/4526496.html"} {"headline":"ኣመራርሓ ህውሓት ንመስርሕ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘለዎም ልዑል ድልየት ኣረጋጊጾም","content":"ኣብ ጉዳይ መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራ ኣመራርሓ ህወሓት ነቲ ሰላም ይደልይዎ ድዮም ዝብል ጥርጣረ ኣብ መራሕቲ መንግስቲ ኤርትራ ነይሩ፤ ኮይኑ ግና ብኣካል ተራኺብና ምርድዳእ ምስገበርና ንሰላም ዘለና ልዑል ድልየት ኣረጋጊፆም ኣለው ክብሉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይን ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣፍሊጦም። ዶክተር ደብረፅዮን ንእዋናዊ ጉዳይ ብዝምልከት ኣብ ዝብሃብዎ መግለፂ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ “ዘለና ዕድል ተኸባቢርና ብሓባር ምንባር ወይ ምብትታን” ኢሎም ንዝተዛረብዎ እወን መብርሂ ሂቦም ኣለዉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%AD%E1%88%93-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%88%8D%E1%8B%91%E1%88%8D-%E1%8B%B5%E1%88%8D%E1%8B%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%A8%E1%8C%8B%E1%8C%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/4526377.html"} {"headline":"ኢትዮጵያዊያን ተወዳደርቲ ኣብ ቱር ርዋንዳ 2018 ተዓዊቶም","content":"ኢትዮጵያዊ ሙሉ ክንፈ ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ዝተዛዘመ ቱር ሩዋንዳ 2018 ዝበለጸ ናይ ዓቐበት ተወዳዳይ ብምዃን ተዓዊቱ። ንሱ ብውሕሉል ነጥቢ ሳልሳይ ደረጃ ብምርካብ ተዓዊቱ’ሎ። ብተመሳሳሊ ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ዝተኻየደ ሻድሻይን ናይ መወዳእታ መድረኽ እቲ ውድድር ኢትዮጵያ ተቐዳዳማይ ደሳለኝ በረኸት ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ’ሎ። ስለዝኾነ ድማ ብድምር ነጥቢ ኢትዮጵያ ኣብ ቱር ርዋንዳ 2018 ራብዓይ ደረጃ ብምሓዝ’ቲ ውድድር ዛዚማ’ላ። ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ጽቡቕ ውጽኢት ከተመዝገብ ዝጸንሓትን ኣብ ዝበዝሓ መድረኻት’ቲ ውድድር ዓወት ተመዝግብ ዝነበረት ኤርትራ ኣብዚ ናይ 2018 ቱር ሩዋንዳ ዘይምስታፋ ይፍለጥ። ኤርትራ ብዳንኤል ተክለሃይማኖት ኣቢላ ንቱር ርዋንዳ 2010 ዝተዓወት ክትከውን ከላ ኣብ 2012 ድማ ብመርሃዊ ቅዱስ ኣቢላ ብዕድመ ዝነኣሰ ዝበለጸ ተወዳዳራይ ብምኳን ክብረ መዝገብ ምርካባን ብመትከል ኢዮብ አቢላ ድማ ኣብ ዝበዝሓ መድረካት’ቲ ውድድር ምዕዋታ ይፍለጥ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%8B%B3%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B1%E1%88%AD-%E1%88%AD%E1%8B%8B%E1%8A%95%E1%8B%B3-2018-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8B%8A%E1%89%B6%E1%88%9D\/4526353.html"} {"headline":"ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ድሕሪ ናይ ርድኡና መልእኽቲ’ውን ብዙሓት መራኽብ ክሕግዝዎም ከምዘይፈተኑ ይገልጹ","content":"ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ 114 ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ዘይመንግስታዊ ትካል ‘ሓካይም ብዘይዶብ’ ካብ ዓርቢ ክሳብ ሎሚ ሶኑይ ትዓርፈሉ ወደብ ከምዘይረኸበት ተፈሊጡ። ሚንስተር መጉዓዝያ ኢጣልያ ዳኒሎ ቶኒል ነቶም ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ዋላ’ዃ ዋንነታ ናይ ፈረንሳ ትካል እንተኾነት ኣብ ትሕቲ ባንዴራ ብሪጣንያ ስለትጉዓዝ ብሪጣንያ ነቶም ስደተኛታት ክትቕበል ኣለዋ ኢሎም። ንሶም ብተወሳኺ እቶም ስደተኛታት ብምትሕብባር ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ከምዝደሓኑን እታ መርከብ ድማ ኣብዚ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ ማያት ማልታ እያ ዘላ ስለዚ ኢጣልያ ነቶም ስደተኛታት ናይ ምቕባል ሓላፍነት የብላን ኢሎም። አባላት ነቲ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ዘካየደት ትካል ብወገኖም ሃገራት ኣውሮጳ እታ መርከብ ትዓርፈሉ ወደብ ክውስኑ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለው። እቶም ስደተኛታት ብወገኖም ድሕሪ’ቲ ናይ ርድኡና ጻውዒቶም’ውን ብዙሓት መራኽብ ኩነታቶም ንምፍላጥ ከምዘይፈተኑ ገሊጾም ኣለው። እቲ ናይ ህይወት ኣድሕን ስርሒት ዘካየደ ትካል ብወገኑ ኢጣልያ ብዘይመንግስታዊ ትካል ዝውነና መራኽብ ኣብ ወደባታ ከይዓፋ ድሕሪ ምክልካላ ብዙሓት መራኽብ ስደተኛታት ክሕግዙ ከምዘይደፍሩ ገሊጾም። ካብቶም ብዓርቢ ዝደሓኑ 114 ስደተኛታት 65 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ምዃኖምን ዝበዝሑ ድማ ካብ ኤርትራን ሶማል ዝመጹ ምኳኑ ተገሊጹ’ሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ኢጣልያ ስደተኛታት ዝጸዓና ብዘይመንግስታዊ ትካል ዝውነና መራኽብ ኣብ ወደባት ከይዓርፋ ምክልኻላ ቀጺላ’ላ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8B%E1%8B%AD-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%AD%E1%8B%B5%E1%8A%A1%E1%8A%93-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%89%B2-%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%99%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%8A%BD%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%95%E1%8C%8D%E1%8B%9D%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8D%88%E1%89%B0%E1%8A%91-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B9\/4526308.html"} {"headline":"ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ሞቓድሾ ኣትዩ","content":"ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝተመርሐ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቅን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣቶ የማነ ገብርኣብ ዝርከቦ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሞቓድሾ ሶማል ኣትዩ። ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ፕረዚደንት ሶማል መሃመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ምርኻቡን ሶማል ነቲ ምስ ኤርትራ ዝተበጽሓ ስምምዕ ንምትግባር ዘለዋ ድልውነት መሊሶም ከምዘረጋገጹ ሚንስትሪ ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሮም። ኣቐዲሙ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ምክያዱ ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8B%E1%8B%AD-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%9E%E1%89%93%E1%8B%B5%E1%88%BE-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%A9\/4526144.html"} {"headline":"ሩስያ ንዝተነብረላ ሓድሽ ማዕቀብ ትነጽግ","content":"ኬሚካላዊ ኣፅዋር ተጠቒማ ብዝብል ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ሓድሽ ዙር ማዕቐብ ዝተንብረላ ሩሲያ እቲ ስጉምቲ ንዝተጀመረ ርክባት ብፕረዚደንት ትራምፕን ፕረዚደንት ፑቲንን ዘበላሽው ዘይሕጋዊ ስጉምቲ እዩ ክትብል ኮኒናቶ። ብኣሜሪካ ዝውሰድ ከምዚ ዝበለ ስጉምቲ ዘይምሕዝነታዊ እዩ ዝበሉ ወሃቢ ቃል ክረምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ፕረዚደንትታት ዝተኻየደ ዳሕረዋይ ርክብ ዘተሓላልኽ እዩ ኢሎምዎ። ፕረዚደንት ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ነዚ እገዳ ዝኣወጀት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣባል ስለያ ሩሲያ ዝነበሩ ሰርገይ ስክሪፓልን ጓሎም ዩሊያን ኣብ ብሪታኒያ መሪዛቶም ንዝብል እዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%A9%E1%88%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%90%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%8B-%E1%88%93%E1%8B%B5-%E1%88%BD-%E1%88%9B%E1%8B%95%E1%89%80%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8A%90%E1%8C%BD%E1%8C%8D\/4524062.html"} {"headline":"ኣብ ከተማታት ጂግጂጋን ጌዶን ዝሓሸ ምርግጋእ ኣሎ ክብሉ ወሃቢ ቃል ሚ\/ምክልኻል ኣፍሊጦም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማሊያ ከተማ ጂግጂጋን ጌዶን ካብ ትማሊ ብዝሓሸ ምርግጋእ ኣሎ፤ረድኤት ናይ ምሃብ ስራሕ ተጀሚሩ’ሎ።ኣብ ቀብሪ ድሃርን ደገሃቡርን ኸአ ገና ረድኤት ኣይበፅሐን ዘሎ ግን ነበርቲ ክልል ሶማሌ ንተመዛበልቲ ዘለዎ የከፋፍል ኣሎ ናይ ምርግጋእ ስራሕ እውን ይካየድ ኣሎ ክብሉ ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል ሜጀር ጀነራል መሓመድ ተሰማ ገሊፆም። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ብሰንኪ ኣብ ክልል ኢትዮጵያ ሶማሌ ዝተፈጥረ ህውከት ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ናብ ከተማ ሃረር ከምዝተሰደዱ ሰበስልጣን እቲ ክልል ገሊፆም። ኣብ ጁቡቲ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ድሕሪ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማሌ ዝተፈጥረ ክውከት ንዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት መጥቓዕቲ ተፈፂሙና ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8C%82%E1%8C%8D%E1%8C%82%E1%8C%8B%E1%8A%95-%E1%8C%8C%E1%8B%B6%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%88%B8-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%8D-%E1%8C%8B-%E1%8A%A5-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A2-%E1%89%83%E1%88%8D-%E1%88%9A-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A6%E1%88%9D\/4523774.html"} {"headline":"ኢትዮጵያን ዓረብ ኢማራትስን ካብ ወደብ ዓሰብ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ነዳዲ መስመር ንምዝርጋሕ ተሰማሚዐን","content":"ኢትዮጵያን ሕቡራት ዓረብ ኢማራትስን ካብ ዓሰብ ናብ ኣዲስ ኣበባ መስመር ምተሓላለፉ ነዳዲ ንምዝርጋሕ ምስምማዓን ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ሚንስተር ዓለምለኸ ምትሕብባር ሕቡራት ዓረብ ኢማራትስ ሪም ኣል-ሃሽሚን ሎሚ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምርኻብ ተዘራሪበን ኣለዋ። ብመሰረት እቲ መግለፂ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኢትዮጵያን ዓረብ ኢማራትስን ርክበን ብዝበለፀ ንምሕያል ተመኻኺሮም ኣለው ።ኢትዮጵያን ዓረብ ኢማራትስን ካብ ወደብ ዓሰብ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ነዳዲ መተሓላለፊ መስመር ንምዝርጋሕ ተሰማሚዐን ኣለዋ።መዓስን ከመይን ግን ዝርዝር መብርሂ ኣይተወሃበን። ወደብ ዓሰብ ምጥቃም ብዝምልከት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ቀረባ ምስምምዐን ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%88%9B%E1%88%AB%E1%89%B5%E1%88%B5%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%8B%B0%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%B3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%90%E1%8B%B3%E1%8B%B2-%E1%88%98%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8D%8A-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AD-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8C%8B%E1%88%95-%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%88%9B%E1%88%9A%E1%8B%90%E1%8A%95\/4523703.html"} {"headline":"ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም","content":"ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝተመርሐ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቅን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣቶ የማነ ገብርኣብ ዝርከቦ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም ኣሎ። ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ልኡኽ ኤርትራ ካብ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝተላእከ መልእኽቲ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ከብጽሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ብዘይካ'ዚ እቲ ልኡኽ ትግባረ ናይቶም ኣቐዲሞም ዝተበጽሑ ስምምዓት ኣመልኪቱ ክዝቲ ምዃኑ ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቦሌ መዕርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተወሉ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ዝርከብዎም ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ተቐቢሎሞም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88%E1%8B%8B%E1%8B%AD-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8B%AD%E1%8D%8D%E1%8C%BD%E1%88%9D\/4523319.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ ጂግጂጋ ዝተላዕለ ውጥረት ዝተመዛበሉ ነበርቲ ናብ መነባብርኦም ክምለሱ ከምዘይኸአሉ ይገልጹ","content":"ናብ ስሩዕ መነብባርኦም ክምለሱ ከምዘይክኣሉ ዝገለፁ ነበርቲ ከተማ ጂግጂጋ መንግስቲ ፀገሞም ክፈትሐሎም ሓቲቶም።ኩነታት ፀጥታ ንምምሕያሽ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ዝገለፀ ሚንስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ብወገኑ ኩነታት ይመሓየሹ ኣለው ክብል ገሊፁ።እስክንድር ፍሬው ዝለኣኾ ፀብፃብ ገብረ ገብረመድህን ከቕርቦ እዩ። ኣብ ጂግጂጋ ብሰንኪ ዘጋጥመ ህውከትን ዕግርግርን ግዳያት ኣብ ኣዚዩ ሕማቕ ኩነታት ከምዘለው ይገልፁ።ካብ ናይ ቤተ ክርስትያን ዕቑባ ናብ ገዛውቶም ከምዝተመልሱ ዝገለፀ ሓደ መራሒ ስድራ ሰለስተ ባጃጅ ተወሲዶምኒ ይብል። “ክርቢት እውን ኣይገደፉለይን፤ሰለስተ ባጃጃት ነይረናኒ።ካብ ሰለስቲአን ዋላ ሓንቲ እውን ኣይገደፉለይን።”መብዛሕትኡ ነባሪ ከተማ ጂግጂጋ ብናይ ባዕሉ ናይ ንግዲ ምንቅስቓስ ከምዝናበር ዝገለፀ እዚ ነባሪ ሕዚ እዚ ኹሉ ሰብ ንብረቱ ተዘሪፉ ዝስርሖ የብሉን ይብል። ሕዚ ስራሕ ስሪሑ ዝብሃል ነገር የለን።ንሰርሖ የብልና፣በየናይ ንስራሕ?ናይ ውልቂ ስራሕትና ተዘሪፉ፣እንታይ እዩ እቲ መፍትሒ?ሎሚ ዝኸውን ዘሎ ክነግረኩም።ናይ ሓበሻ ህዝቢ ናብ ሃረር ይውሕዝ እዩ ዘሎ፤ይስደድ ኣሎ።እቲ ሰብ ንቆልዓ ሰበይቲ እናልኣኸ እዩ።…ስለዚ መንግስቲ ገለ መፍትሒ ክገብር ኣለዎ ኢሉ። ንሱ ዝተዘረፉ ንብረታት ፈቐዶ መንገዲ ተደርቢዮም ከምዝርከቡ እውን ይገልፅ። “ዝተዘረፉ ንብረታት ፈቖዶ ቦታ ኣሎ፤መካይና ፈቖዶ ደው ኢለን ኣለዋ።ተሰባቢረን፣ጎማታተን ተወሲዱ፣ሞተር ወሪዱ፣ሓሪረን ኣለዋ።…ሕዚ ዘተሓሳበና ዘሎ ድሕሪ ሕዚ ሰላምና ከመይ ክረጋገፅ ይኽእል ዝብል እዩ።ንሕና ኣብዚ ንኽነብር እንታይ ውሕስነት ኣለና ዝብል እዩ እቲ ሕቶ ይብል።” ካልኦት ወሃብቲ ርእይቶ እውን መንግስቲ ንዝወረዶም ፀገም እኹል ጠመተ ኣይሃበሉን ኢሎም ኣለው። ሚንስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ኩነታት ፀጥታ ጂግጂጋ ንምምሕያሽ ፃዕሪ ይገብር ከምዘሎ ገሊፁ’ሎ።ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል ሜጄር ጀነራል መሃመድ ተሰማ ንመራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ከምዚ ኢሎም። “ ኣብ ጂግጂጋ ኣብ ቀንዲ መስመራት ሓሊፉ ምንቅስቓስ ባጃጅ ምጅማረንን ኣብ መስመር ዝርከቡ ሹቓት ስራሕ ጀሚሮምን ኣለው።ካልኦት ናይ መንግስትን ሕብረተሰብ ዝጥቀመሎም ትካላትን እውን ንክኽፈቱ ፃዕርታት ይግበሩ ኣለው።” ናይ ሕክምና፣ቀረብ መግብን ናይ ትራንስፖርት ምንቅስቓሳትን ናብ ስሩዕ ክምለሱ ስርሓት እናተሰርሑ እዮም ኢሎም። ካብ ከተማ ጂግጂጋ ብተወሳኺ ኣብ ደጋሃቡር፣ቀብሪድሃርን ካልኦት ከተማታትን ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ሰራዊት ምክልኻል ምእታው ዝገለፁ እዞም ወሃቢ ቃል ናይ ምርግጋእ ስራሕ እናሰርሐ እዩ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8C%82%E1%8C%8D%E1%8C%82%E1%8C%8B-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%95%E1%88%88-%E1%8B%8D%E1%8C%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%90%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%88%88%E1%88%B1-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8A%B8%E1%8A%A0%E1%88%89-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B9\/4521957.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ተቓዋሚ ውድብ ዓረና አባላቱ ጉድኣት ይበጽሖም ኣሎ ክብል ይኸስስ","content":"ኣባላት ተቓዋሚ ውድብ ዓረና ንልኡላውነትን ዴሞክራስን ኣብዚ ናይ ለውጢ ግዜ ዝተብሃለ እውን ጉድኣት ይበፅሖም ኣሎ ክብል እቲ ውድብ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ውዳበታት ህዝቢ እቲ ውድብ ኣይተ ተኽለዝጊ ወልደገብርኤል ብፍላይ ኣብ ወረዳ ቆላ ተምቤን ዝርከቡ ኣባላት ዓረናን ስድርኦምን መውቃዕትን ምፍርራሕን ይበፅሖም ኣሎ ኢሎም። ኣዛዚ ፖሊስ ወረዳ ቆላ ተምቤን ኮማንደር ክብሮም ወልዱ ኣብታ ወረዳ፤ ሰብ ብፖለቲካዊ ኣረኣእይኡ መጥቃዕቲ ኣይብፅሖን እኳ ደኣስ እቲ ውድብ ኣብ ዘሰናድኦ መድረኻት ኣካላት ፀጥታ ሰላማዊ ኮይኑ ንክሓልፍ ሓገዝቲ እዮም ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8B%E1%88%9A-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%8A%93-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B1-%E1%8C%89%E1%8B%B5%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%89%A0%E1%8C%BD%E1%88%96%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8B%AD%E1%8A%B8%E1%88%B5%E1%88%B5\/4520662.html"} {"headline":"ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑድ ዓረብ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይበጽሕ","content":"ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑድ ዓረብ ዓድል ኣል ጁበይር ዝተመርሐ ልኡኽ ንግስነት ስዑድ ዓረብ ኣብ ኤርትራ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ሎሚ ሓሙስ 09 ነሓሰ ተራኺቡ። ኣብቲ ርክብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑድ ዓረብ ዓድል ኣል ጁበይር ካብ ንጉስ ስዑድ ዓረብ ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚዝ ዝተላእከ መልእኽቲ ናብ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብጺሑ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑድ ዓረብ ዓድል ኣል ጁበይር ዝምድና ኤርትራን ስዑድ ዓረብን ኣብ ጽላታት ወፍሪ ንግድን ጸጥታዊ ምርግጋእን ጥራይ ዝተሓጽረ ከምዘይኮነን ክኒኡ ኣብ ኩሉ'ቲ ብሓባር ዘራኽቦም ምዃኑ ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ምግላጹ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ትዊተር ሓበሬታ ኣፍሊጡ። ፕረዚደንት ኢሰያስ ብወገኑ ምድራዕ ታሪኻዊ ርክባት ኤርትራን ስዑድዓረብን ኪኖ ዞባዊ ጸጥታን ምርግጋእን ኣብ ሰፊሕ መዳያት ጽልዋ ዘለዎ ምዃኑ ከምዘስመረሉ ብተወሳኺ ተሓቢሩ። ዑደት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑድ ዓረብ ዓድል ኣል ጁበይር ብሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዑድ ዓረብ ኣሕመድ ቀጣንን ካልኦት ሰበስልጣንን ዝተሰነየ እዩ ነይሩ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑድ ዓረብ ዓድል ኣል ጁበይር ዝመርሖ ጉጅለ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ስዑድ ዓረብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ከምዝበጽሐ ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%88%B5%E1%8B%91%E1%8B%B5-%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%89%A0%E1%8C%BD%E1%88%95\/4520642.html"} {"headline":"ሊብያ: ካብ መዓስከር ስደተኛታት ሕ\/ሃ ብዘይፍቓዶም ዝተወስዱ ስደተኛታት እንታይ ይብሉ","content":"ንዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ሊብያ ‘ሻርዕ መጠር’ ኣብ ዝተባህለ መዕቆቢ ስደተኛታት ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ማለት UNHCR ካብ ዝጸንሑ ስደተኛታት ኣብዚ ሰሙን’ዚ 20 ስደተኛታት ብዘይፍቓዶም ናብ ካልእ ቦታ ከምዝተወስዱ ይገልጹ። እቶም ስደተኛታት ክዳውንቶም ኮነ ንብረቶም ከይሓዙ ናብቲ ቦታ ምምጽኦምን ሕጽረት መግብን ዝስተ ማይን ከምዘሎም ይሕብሩ። No media source currently available ብዘይካ'ዚ ቅድሚ ስለስተ መዓልታት 20 ጽምዲ ሰብ ሓዳር ካብ ‘ሻርዕ መጣር’ ናብቲ ቦታ ከምዝመጹ እቶም ስደተኛታት ብተወሳኺ ይሕብሩ። እተን ደቂ ኣንስትዮ ንበይነይ ኣብ ካልእ ክፍሊ ብምህላወን ክንረኽበን ኣይከአልናን። ኣብቲ ቦታ ዘለው ክልተ ስደተኛታት ንኹነታቶም ብዝምልከት ብሕቡእ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ቋንቋ ትግርኛ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8A%E1%89%A5%E1%8B%AB-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%B5%E1%8A%A8%E1%88%AD-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8D%8D%E1%89%93%E1%8B%B6%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B5%E1%8B%B1-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%83%E1%88%8D\/4520539.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ ጂግጂጋ ዝተፈጥረ ግጭት እንተረጋግኣ’ዃ ጸገም መግብን ዝስተ ማይ ከምዘሎ ነበርቲ ገሊጾም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል ከተማ ጂግጂጋ ዝተፈጥረ ግጭት ንምርግጋእ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት እታ ክልል ሓይልታት ምክልኻልን ኣባላት ፈደራልን ፖሊስ ምስ ኣተው ዝነበሩ መጥቓዕትታት ደው ኢሎም ኣንፃራዊ ምርግጋእ እንተሃለወ እውን ዝለዓለ ፀገም መግብን ዝስተ ማይን ከምዘሎ ነበርቲ ገሊፆም። ኣብ ዩኒቨርስቲ ጂግጂጋ ናይ ክረምቲ ትምህርቶም ዝከታተሉ ተማሃሮ ኣብ ፀገም ከምዝወደቑ ገሊፆም ኣለው።ብኻልእ ወገን ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ዝወረደ ሞት ስዒቡ ኣብ ጅቡቲ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን በደል ይፍፀሞም ከምዘሎ ገሊፆም። ጅቡቲ እውን ዜጋታታ እቲ ሽግር ካብ ዘለዎም ከባቢታት ተውጽእ ምህላዋ ገሊፃ’ላ። ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ጂግጂጋን ካልኦት ከተማታትን ኢትዮጵያ ክልል ሶማሌ ዝተፈጥረ ሽግር ንምርግጋእ እናሰርሐ ምዃኑ ንመራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ገሊፁ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8C%82%E1%8C%8D%E1%8C%82%E1%8C%8B-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%A8-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%88%A8%E1%8C%8B%E1%8C%8D%E1%8A%A3-%E1%8B%83-%E1%8C%B8%E1%8C%88%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/4519199.html"} {"headline":"ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ን 81ሽሕ ስደተኛታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምሕጋዝ 45 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ሓቲቱ","content":"ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታትን መሻርክቱን ኣብ ዝመጽእ ሰለስተ ዓመታት ካብን ናብን ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃን የመንን ንዝሰጋገሩ ስደተኛታት ሰብኣዊን ንዋታዊን ሓገዝ ንምሃብ ኣስታት 45 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልይ ኣፍሊጡ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዓለም እታ ዝኸፍኣ ሰብኣዊ ቀውሲ ዝረኣየለ ሃገር የመን እያ። እንተኾነ እዚ ኹነታት ነቶም ካብ ድኽነትን ግጭት ሃዲሞም ንወሽመጥ ዓደን ብምቁራጽ ናብታ ሃገር ዝስደዱ ስደተኛታት ደው ከብሎም ኣይከአለን፡ ዝበዝሓ ካብዞም ስደተኛታት ድማ ካብ ኢትዮጵያን ሶማል ዝመጹ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ። ዝበዝሑ ካብቶም የመን ዝበጽሑ ስደተኛታት ዝሓሸ ስራሕን ናብራን ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዓደን ንምርካብ ዝመጹ ምዃኖም ይገልጹ። ወሃቢ ቃል ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ጆወል ሚልማን ኣብ ዝሓለፈ ቁሩብ ዓመታት እዚ ዘይስሩዕ ስደት ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ የመን ይውስኽ ምህላው ይገልጹ። ንሶም ኣብ ዓመተ 2017 ኣስታት 100,000 ሰባት ነዚ ሓደገኛ ጉዕዞ ምፍጻሞምን ኣብዚ ዓመት’ዚ እውን እቲ ቁጽሪ ተመሳሳሊ ምኳኑ ይሕብሩ። “ ኣብ ግምት ክኣትው ዘለዎ ኣገዳሲ ነጥቢ ኣስታት 200,000 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ካብ ስዑዲ ዓረብንን የመን ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተመልሱ ኣለው። ኣስታት 150,000 ናብ ኢትዮጵያ፡50,000 ድማ ናብ ሶማል ዝተመልሱ ኣለው። እዚ ማለት ዕጽፊ ናይቶም ናብ የመን ዝኣትው’ዩ።” ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ዝመደቦ ናይ ሰለስተ ዓመታት ውጥን ንኣስታት 80,000 ኣብ ተአፋፊ ኩነታት ዝርከቡ ስደተኛታት ንምሕጋዝ ዝዓለመ’ዩ። እዚ ሓገዝ ንደቂ ኣንስትዮ፡ አላይ ዘይብሎም ህጻናት፡ ዕድመ ዝደፍኡ፡ ግድያያት ጎነጽን ዘይሕጋዊ ምስግጋርን አካለ ጉዱኣትን ንምሕጋዝ ዝዓለመ’ዩ። እቲ ዝወሃብ ሓገዝ ድማ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ንግዳያት ዓመጽ ድማ ስነ ኣእምሮኣዊ ምኽሪ፡ ምስቲ ሕብረተሰብ ንምትሕንፋፅ ዘኽእል ቁጠባዊ ሓገዝን ዝብሉ መደባት ዝሓዘ’ዩ። ብተወሳኺ እቲ ውጥን ስደተኛታት ናብ ስደት ከየምርሑ ኣብ ከባቢኦም ዝሕግዝሉ መደብ ዝሓዘ ምኳኑ ይግለጽ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%9581-000%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%88%AD%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8C%8B%E1%8B%9D-45-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8B%B6%E1%88%8B%E1%88%AD-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8C%88%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%89%A5-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%95%E1%8C%BA%E1%8A%91\/4519059.html"} {"headline":"\" ኣመሓዳሪ ክልል ሶማል ናብ አዲስ አበባ ብስራሕ'ዮም ተንቀሳቂሶም\" ዳይረክተር ትካል ምርምር እንስሳት ኣቶ ጉሌድ ኣውዓሌ","content":"ትማሊ ሶኑይ ካብ ስልጣኖም ዝተለዓሉ ናይ ቀደም ናይ ኢትዮጵያ ሶማሌ ክልል ፕረዚደንት ኣብዲ ሞሓሙድ ኦማር \/ኣብዲ ኢሌ\/ ሎሚ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ሓደ በዓል ስልጣን ክልል ሶማሌ ገሊፆም።ኣቶ ኣብዲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገሹ ንጉዳይ ስራሕ እዩ ኢሎም። ኣብ ጂግጂጋን ካልኦት ከተማታትን ኣንፃራዊ ምርግጋእ ከምዘሎ እውን ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ገሊጾም። ኣብ ዝተፈላለዩ ናይታ ሃገር ክፋል ዝርከቡ ገለ ሰበስልጣን መንግስቲ ነቲ ዘሎ መስርሕ ለውጢ ንምዕንቃፍ ህውከትን ዕግርግርን ይቕስቅሱ ኣለው ክብል ሰማያዊ ፓርቲ ኸሲሱ። ትማሊ ካብ ስልጣኖም ዝተለዓሉ ናይቲ ክልል ሶማሌ ፕረዚደንት ሎሚ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ናይቲ ክልል ዳይረክተር ትካል ምርምር እንስሳት ኣቶ ጉሌድ ኣውዓሌ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።ንዝሓለፉ ኣርባዕተ መዓልታት ዝተዛብዑ ሓበሬታታት ነቲ ክልል ክህውክዎ ፀኒሑ’ሎ ኢሎም።እቶም ፕረዚደንት ተአሲሮም ብሄልኮፒተር ናብ ኣዲስ ኣበባ ተወሲዶም ዝብሃል ወረ ተሓቲቶም ከምዚ ኢሎም። “ንሶም ንጉዳይ ስራሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተጉዓዙ እዩ ዝሰማዕኹዎን ዘለኒ ሓበሬታን።ካብዚ ወፃኢ ተኣሲሮም፤ተወቒዖም ዝብሃል ሓበሬታ ሓቂ ዘይምዃኑ እየ ከረጋግፅ ዝደሊ።” እቲ ዝተተክእሰ መሪሕነት ስርሑ እናሰርሐ ምዃኑ ዝገለፁ ንሶም ኣብታ ከተማ ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይምርግጋእ ሰራዊት ምክልኻል እናሰርሐ ምዃኑ ሓቢሮም። “ኣብ ከተማ ዝተፈጥረ ዕግርግር ንምርግጋእ ሰራዊት ምክልኻልን ፖሊስ ፊደራልን ከምኡ እውን ኣካላት ፀጥታ ናይቲ ክልል ይሰርሑ እዮም ዘለው።ናይ መንግስቲ መሓውር ኣይፈረሰን፤ኩሎም ዝነበሩ ሓለፍቲ ኣለው፤ዝወረደ ኣካል ዋና ኣማሓዳሪ ጥራሕ እዩ።” ኣዛዚ ፍሉይ ፖሊስ ተኣሲሩ ብዛዕባ ዝብሃል ዝፈልጡዎ ነገር ከምዘየለ ገሊፆም።እቲ ኩነታት ምርግግኡ እውን ወሲኾም ሓቢሮም። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይታ ሃገር ክፋል ዝርከቡ ገለ ሰበስልጣን መንግስቲ ነቲ ዘሎ መስርሕ ለውጢ ንምዕንቃፍ ህውከትን ዕግርግርን ይቕስቅሱ ኣለው ክብል ተቓዋሚ ውድብ ሰማያዊ ፓርቲ ኸሲሱ። ፌደራላዊ መንግስቲ ኣድላዪ ስጉምቲ ዘይምውሳዱ ከሕትቶ እዩ ዝበለ ሰማያዊ ፓርቲ ኣብ ልዕሊ እዞም ወገናት ቕልጡፍ፣ሕጋውን ብርቱዕን ስጉምቲ ክወስድ ሓቲቱ’ሎ። እቲ ፓርቲ ሎሚ ኣብ ዝፀውዖ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብዚ ናይ ለውጢ መስርሕ ሃገራዊ ሓድነትን ምርድዳእን ከምኡ እውን ናይ ዜጋታት ዴሞክራሲያዊን ሰብኣውን መሰላት ብኣንፃራዊነት ተኸቢሩ’ሎ ይብል። ኣቦ ወንበር ቤት ምኽሪ ናይቲ ፓርቲ ኣቶ ይድነቃቸው ከበደ “እዚ ክተባባዕ ዘለዎ ናይ ለውጢ ጅማሮ ኣብ ክንዲ ምድጋፍን ሃገራውን ታሪኻውን ሓላፍነት ምውፃእን እከይ ተግባራት ዝሰርሑ ኣብ ሓላፍነትን ስልጣንን መንግስትን ዝርከቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ኮይኖም ተግባራት ህውከትን ዕግርግርን ዝፈጥሩ ሰላምን ምርግጋእን ከይህሉ ዝሰርሑ መለዓልቲ ናይ ጥፍኣት ስራሓት ይፍፅሙ ኣለው።” ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ፀገማት ከምዘለው ዝገለፁ ንሶም ኣብ ጅግጂጋ ዝተፈጥረ ግን ብፍሉይ ይጠቕሱ።እቲ ህውከት ካብ ጅግጂጋ ከተማ ወፂኡ ናብ ካልኦት ከተማታት ምግፍሑ እውን ይገልፅ።እቲ ፀገም ክፍጠር ከሎ ናይቲ ክልል መንግስቲ ነዚ ጠጠው ኣየብሎን በዚ እውን ናይ ፌደራል መንግስቲ ካብ ተሓታትነት ኣየምልጥን ይብል። ፌደራል መንግስቲ ናይቲ ህዝቢ ድልየትን ምርጫን ብዝሕሉ ስጉምቲ ክወስድ ሰማያዊ ፓርቲ ብህፁፅ ይሓትት ይብል። ብዝተኣሳሰረ ኣብ ክልል ኢትዮ-ሶማሌ ከተማ ጅግጂጋ ዝተለዓለ ህውከትን ዕግርግርን ኣብ ልዕሊ ነበርቲ እታ ከተማ ዝነብሩ ዜጋታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሕቶ ክወድቑን እናገበረ ምዃኑ ብቕልጡፍ ደው ክብል ከምዘለዎ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ናይቲ ኮሚሽን ዳይረክተር ናይ ኢንፎርመሽን ኮሚኒኬሽን ኣቶ ደምሰው በንቲ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣብታ ከተማ ዜጋታት ንብረት ናይ ምፍራይን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምዝውዋርን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብህይወት ናይ ምንባር መሰሎም ኣብ ሓደጋ እናወደቐ እዩ ኢሎም። እቲ ኮሚሽን ኣብቲ ጉዳይ ዘለው መረዳእታታት ዕላዊ ከምዝገበር ብምግላፅ ኣብዚ ስዓት ኣብ ልዕሊ ሰባት ይኹን ንብረት ዝወረደ ዕንወት መጠን ንምግላፅ ከምዘፀግም ተዛሪቦም ኣለው። ኣብ ከተማ ብሰንኪ ዝተልዓለ ዕግርግር ሹቓት ተሰሪፎም ኣብያተ ክርስቲያናት ድማ ብሓዊ ነዲዶም ኣለው።ኣብቲ ክልል ዝርከብ ጨንፈር ኣብ ከተማ ጂግጂጋ ሓዊሱ ኣብ ደጋሃቡር፣ቀብሪደሃርን ጎዴን ዝተፈፀሙ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ምርመራ እናካየደ ምዃኑ ገሊፁ። ብኻሊእ ዜና ኣብ ደቡብ ክልል ኣብ ዞባ ዳውሮ ከተማታት ተርጫን ዋካን ብሰንኪ ብናይቲ ክልል ቴሌቪዥን ተመሓላሊፉ ዝተብሃለ ዝተጋግየ ዜና ትማሊ ህይወት ሰባት ዘጥፍአን ኣካል ጉድኣት ዘውረደን ተቓውሞን ህውከትን ከምዝነበረ ተፈሊጡ።ሓያሎ ህንፃታት መንግስትን ናይ ውልቂ ትካላትን ከምኡ እውን ናይ ውልቀሰባት ኣባይቲ ከምዝዓነው ተፈሊጡ’ሎ።ሎማዕንቲ ግን እተን ከተማታት ምርግጋእ ከምዝነበረን እቲ ዜና ይሕብር። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%B3%E1%88%AA-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%89%A5%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8A%95%E1%89%80%E1%88%B3%E1%89%82%E1%88%B6%E1%88%9D-%E1%8B%B3%E1%8B%AD%E1%88%A8%E1%8A%AD%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%88%9D%E1%88%AD-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%88%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%8C%89%E1%88%8C%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%8B%93%E1%88%8C\/4517600.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያን ግንባር ነጻነት ኦሮሞ(ኦነግ) ናይ ዕርቂ ስምምዕ ምፍርራሞም ኣፍሊጦም","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያን ግንባር ነጻነት ኦሮሞ(ኦነግ) ናይ ዕርቂ ስምምዕ ምፍርራሞም ኣፍሊጦም። ወሃቢ ቃል ኦነግ አቶ ቶሌራ አዳባን ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ኣቶ ለማ መገርሳን ሎሚ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ክልቲ ኦም ወገናት ናይ ዕርቂ ስምምዕ ምግባሮን ኣብ ዝተረፉ ጉዳያት’ውን ብቀጻሊ ከምዝሰርሑ ኣፍሊጦም ኣለው። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ አቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ኣብ ዘውጸእዎ መልእኽቲ ሎሚ ክልቲ ኦም ወገናት ኣብ ኣስመራ ስምምዕ ኦርቂ ተፈራሪሞ ኣለው ኢሎ። ብተወሳኺ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ኣመሓዳሪ ክልል ኦሮሞያ ኣቶ ለማን ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶ\/ር ወርቅነህ ገበየሁ ምዝርራቦም ሓቢሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8C%8D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%8A%90%E1%8C%BB%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9E(%E1%8A%A6%E1%8A%90%E1%8C%8D)-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%95%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%88%AB%E1%88%9E%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A6%E1%88%9D\/4517462.html"} {"headline":"ኣብያተ ክርስትያናት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ንእዋናዊ ጉዳያት ብዝምልከት ጸሎትን ምህለላን የካይዱ","content":"ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ኣብያተ ክርስትያናት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት’ታ ሃገር ዝጠመተ ጸሎትን ምሕለላን ከካይዱ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ትማሊ ኣብ ዘሕለፍዎ መልአክቲ ጸዊዖም። ኣብ ክልል ትግራይ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣክሱም ሎሚ መዓልቲ እቲ ምህለላ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዝተሳተፈሉ ተጀሚሩ ኣሎ። ነዚ ብዝምልከት ዝተዳለወ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AB%E1%89%B0-%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AB%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%A6%E1%88%AD%E1%89%B6%E1%8B%B6%E1%8A%AD%E1%88%B5-%E1%89%B0%E1%8B%8B%E1%88%85%E1%8B%B6-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%88%8E%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%88%E1%88%8B%E1%8A%95-%E1%8B%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/4517420.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኦነግ ናይ ዕርቂ ስምምዕ ኣብ ኣስመራ ተፈራሪሙ","content":"መንግስቲ ፈደራል ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኢትዮጵያ ምስ ናይ ኦሮሞ ነጻነት ግንባር( ኦነግ) ናይ ዕርቂ ስምምዕ ሎሚ ኣብ ኣስመራ ተፈራሪሞም። ነቲ ስምምዕ ዝፈረሙ ኣመሓዳሪ ክልል ኦሮምያ ኣቶ ለማ መገርሳ፡ ኣቦ መንበር ኦነግ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ምዃኖም ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሮም። ንሶም ብተወሳኺ ኦነግ ፖለቲካዊ ምንቅስቃሳቱ ብሰላማዊ መንገዲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ከካይድን ነቲ ዝተበጽሓ ስምምዕ ዝተግብር ኮሚተ ካብ ክልቲኦም ወገናት ክዋጻእ ተሰማሚዖም ኣለው። ኣመሓዳሪ ክልል ኦሮምያ ኣቶ ለማ መገርሳን ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ዶ\/ር ወርቅነህ ገበየሁ ብዛዕባ’ቲ ስምምዕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቤተ መንግስቲ ተራኺቦም ምዝታዮም’ውን ሚንስተር የማነ ገብረመስቀል ወሲኾም ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽቶም ሓቢሮም ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A6%E1%8A%90%E1%8C%8D-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%95%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%88%99\/4516955.html"} {"headline":"ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ መርሃዊ ቅዱስ ብዛዕባ ቱር ቮልታ ስጳኛ","content":"ተቐዳደምቲ ጋንታ ዳይመንሽ ዳታ ዝኾኑ ኤርትራዊት መርሃዊ ቅዱስን ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄርን ኣብቲ ጽባሕ ሶሉስ ኣብ ስጳኛ ዝካየድ ቮልት ኣ ቦርገስ ንምስታፍ ኣብ ስጳኛ ይርከቡ። ብዛዕባ’ቲ ጽባሕ ዝካየድ ውድድርን ምድላዋቶምን ዝምልከት ምስ መርሃዊ ቅዱስ ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%AD%E1%88%83%E1%8B%8A-%E1%89%85%E1%8B%B1%E1%88%B5-%E1%89%A5%E1%8B%9B%E1%8B%95%E1%89%A3-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%8B%B5%E1%88%AD-%E1%89%AE%E1%88%8D%E1%89%B5-%E1%89%A6%E1%88%AD%E1%8C%88%E1%88%B5-%E1%88%B5%E1%8C%B3%E1%8A%9B-\/4516176.html"} {"headline":"ኣመሓዳሪ ክልል ሶማልያ ካብ መዝነቶም ተላዒሎም፡ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ድማ ናብ ከተማ ጂግጂጋ ኣትዩ’ሎ","content":"ናይ ኢትዮጵያ ሶማልያ ክልላዊ መንግስቲ ኣማሓዳሪ ኣቶ ኣብዲ ሞሓመድ ዑመር ወይ ኣብዲ ኤሌ ብሓድሽ መሪሕነት ከምዝተተክኡ ሰበስልጣን ናይቲ ክልል ኣፍሊጦም። ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ጀሚሩ ኣብ ወጥሪ ናብ እትርከብ ዋና ከተማ ናይቲ ክልል ጂግጂጋ ኣማሲዮም ምእታዎምን እታ ከተማ ትርጋጋእ ከምዘላን ነበርቲ ገሊፆም። ብኻልእ ወገን ኣብ ጂግጂጋ ብዝተለዓለ ግጭት ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ከተማ ገንዳ ገራዳ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ትማልን ሎሚን ብዝተለዓለ ግጭት ኣስታት 14 ሰባት ከምዝተቐትሉ ነበርቲ ገሊፆም። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ መንግስቲ ጅቡቲ ዜጋታቱ ንመጥቓዕቲ ዘቃልዐ ዝበሎ ናይ ድሬዳዋ ግጭት ብምኹናን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ዜጋታቱ ድሕነቶም ንኽሕልው ዝሓትት መግለፂ ሎሚ ሶኑይ ኣውፂኡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%B3%E1%88%AA-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D%E1%8B%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%8B%E1%8B%92%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8B%B5%E1%88%9B-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8C%82%E1%8C%8D%E1%8C%82%E1%8C%8B-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%A9-%E1%88%8E\/4516006.html"} {"headline":"ኣብ ጉጂ ብዝተፈጥረ ግጭት 5 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ጉጂ ወረዳ ዱግዳ ዛዋ ከተማ ፍንጭ ውሃ ብዝተፈጥረ ግጭት ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም።ብኮንትሮባንድ ንግዲ ብዝተጠርጠረ ሰብ ዝተፈጥረ ቅትለት ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።ኣብታ ከተማ ፍርሒ ምንጋሱ ነበርቲ እንተገለፁ ኣማሓዳሪ ናይታ ከተማ ግን ዘስግእ የለን ምባሎም ተገሊጹ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8C%82-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%A8-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-5-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/4516026.html"} {"headline":"ሚ\/ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ኣመሓዳሪ ክልል ኦሮምያ ምስ ኦነግ ንምዝርራብ ኣስመራ ኣትዮም","content":"ኣመሓዳሪ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ኣቶ ለማ መገርሳን ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ዶ\/ር ወርቅነህ ገበየሁን ምስ ተቓዋሚ ውድብ ናይ ኦሮሞ ነጻነት ግንባር(ኦነግ) ክንፊ ንምዝርራብ ኣስመራ ኣትዮም። እቶም ሰበ ስልጣን ምስ መራሒ ናይቲ ግንባር ኣቶ ዳዊት ኢብሳ ተራኺቦም ሎማዕንቲ ክዘራረቡ ትፅቢት ኣሎ። ናይ ኤርትራ ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ኣስመራ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ተቐቢሎምዎም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%93%E1%8B%B3%E1%88%AA-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A6%E1%8A%90%E1%8C%8D-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%88%9D\/4516024.html"} {"headline":"ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ናብ ሊብያ ከይምለሱ ይምሕጸኑ","content":"ኦፕን ኣርምስ ዝተባህለ ናይ ስጳኛ ዘይመንግስታዊ ትካል ሸሞንተ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝርከብዎም 87 ስደተኛታት ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምድሓኖም ገሊጾም። ነቲ ናይ ህይወት ኣድሕን ስርሒት ዘካየደት መርከብ አባላት እቲ ስርሒት ብርቱዕ ምንባሩ ብምግላጽ እቶም ስደተኛታት ናብ ሊብያ ከይምለሱ ብትሪ ምምሕጻኖም’ውን ሓቢሮም ኣለው። መንግስቲ ሊብያ ምስ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ብምትሕብባር ብዘይመንግስታዊ ትካላት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ናብ ሊብያ ክምለሱን ነቶም ስደተኛታት ዝጸዓነ መራኽብ ኣብ ወደባት ኢጣልያ ከይዓርፋ ክትክልክል ምጽንሓ ይፍለጥ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ሬሳ ኣስታት 100 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምርካቡ ሓቢሩ’ሎ። እቲ ትካል ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ኣዋርሕ ዓመተ 2018 ቁጽሪ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑን ተታሒዞም ናብ ሊብያ ዝተመልሱ ስደተኛታት 12,633 ምብጽሑ ገሊጹ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8B%E1%8B%AD-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%8B%9D%E1%8B%B0%E1%88%93%E1%8A%91-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%8A%E1%89%A5%E1%8B%AB-%E1%8A%A8%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%88%88%E1%88%B1-%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8C%B8%E1%8A%91\/4515698.html"} {"headline":"መንገዲ ኣየር ኤርትራ ናብ አዲስ አበራ በረራ ጀሚሩ","content":"መንገዲ ኣየር ኤርትራ ሎሚ ናብ አዲስ አበባ በረራ ጀሚሩ። ኣብቲ ሎሚ ቐዳም ዝጀመረ ፈላማይ በረራ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ናብ አዲስ አበባ ሚንስተራት ቱሪዝምን ትራንስፖርትን : ዋና አካያዲ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ዝርከብዎም ሰበ ስልጣናት አዲስ አበባ ኣትዮም ኣለው። ሚንስተር ዴኤታ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ወ\/ሮ ሂሩት ዘመነ ዝርከብዎም ሰበ ስልጣን'ውን ታ ነፋሪት አዲስ አበባ ኣብ ዝኣተወትሉ ኣቐባብላ ጌሮምሎም። ኣቐዲሙ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ፈላማይ በረራ ምኽያዱ ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%A8%E1%88%AD-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%88%AB-%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%88%AB-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9\/4513900.html"} {"headline":"ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ጸገሞም ይገልጹ","content":"ኣብ ሊብያ ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ዝርከቡ ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ኣብ ዝለዓለ ጸገም ኣለና ሰባት ናብ መሸጣ ይውሰዱና ኣለው ይብሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%95%E1%89%86%E1%89%A2-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%8A%E1%89%A5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%8C%88%E1%88%9E%E1%88%9D-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B9\/4513048.html"} {"headline":"መንገዲ ኣየር ኤርትራ ናብ አዲስ አበባ በረራ ክጅምር'ዩ","content":"መንገዲ ኣየር ኤርትራ ፅባሕ ቀዳም ካብ ኣስመራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዳግማይ በረርኡ ክጅምር እዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%A8%E1%88%AD-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%88%AB-%E1%8A%AD%E1%8C%85%E1%88%9D%E1%88%AD-%E1%8B%A9\/4512944.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡቲን ዘሎ ውጥረት ንምፍታሕ መንጎኛ ክትከውን ዘለዋ ድልየት ገሊጻ","content":"ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ዘሎ ኣፈላላይ ንምፍታሕ ክትሽምግል ከም እትደሊ ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያ ወደብ ዓሰብ ምጥቃም እንተጀመረት’ዃ ወደብ ጅቡቲ ቀንዲ ኣማራፂኣ ኮይኑ ከምዝቕፅል እቲ ሚንስተር ወሲኹ አረዲኡ’ሎ። “ብወገን ኢትዮጵያ ፀገም ኤርትራን ጅቡትን ንክፍታሕ እቲ ናይ ሰላም ትሩፋት ንዕኣቶም እውን ንኽበፅሖም ብወገን መራሕትና ፅኑዕ ድልየት ኣለና።ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ናይ ሽምግልና ግደ ንክህሉ ድልየት ኣሎ።” ኢትዮጵያ ኣዝያ ዓባይ ሃገር እያ።ገፊሕ መልክዓ ምድሪ ኣለዋ።ወደብ ዓሰብ ዝቐርቦም ቦታታት ኣለው።ወደብ ጅቡቲ ዝቐርቦም ቦታታት እውን ኣለው።እዚ ክስተኻኸል ኣለዎ።ካልኣይ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኣዚዩ ዓብይ ግስጋሰ ኢኮኖሚን ዕብየትን ተወሳኺ ወደብ ኣማርፂ የድልዮ እዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8E-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8C%85%E1%89%A1%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8B%8D%E1%8C%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%88%95-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8E%E1%8A%9B-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%8A%A8%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8B-%E1%8B%B5%E1%88%8D%E1%8B%A8%E1%89%B5-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BB\/4512919.html"} {"headline":"ፈደራል ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብ ሰልፊ ወርሒ ሰነ ዝተተኮሰ ነታጊ ንዝተጠርጠሩ 5 ሰባት ክሲ ኣቕሪቡ","content":"ፈደራል ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሰነ ንድጋፍ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝነበረ ሰልፊ ምስ ዝተተኮሰ ቦምብ ብዝተሓሓዝ ንዝተጠርጠሩ 5 ሰባት ክሲ ምምስራቱ መራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ሓቢሮም። በቲ ፍጻሜ ክልተ ሰባት ምሟቶምን ልዕሊ 150 ሰባት ምቑሳሎምን ይዝከር። ብመሰረት ሓበሬታ ፋና ብሮድካስቲን ፈደራል ዓቃብ ሕጊ ክስታቶም ንምቕራብ 15 መዓልታት ክወሃቦምን ናይ ዋሕስ መሰል ጥርጡራት ድማ ክንጸግን ሓቲቶም ኣለው። ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ መዝነት ካብ ዝሕዙ ምልዓል ኣዋጅ ህጹጽ እዋን: ምፍታሕ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ናይ ፖለቲካ እሱራትን ከምኡ እውን ምስ ኤርትራ ንዝሓለፍ 20 ዓመታት ዝጸንሓ ወጥሪ ክፍታሕን ኣገልግሎት መስመር ስልኪን በረራን ምጅማር ዝኣመሰሉ ለውጥታት ምት እትታዎም ዝዝከር ኮይኑ ነታ 100 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ ካብ ንዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ተገሊላ ዝጸንሓትሉ መስርሕ ከምዘውጽእዋ ምግላጾም ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%88%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%89%83%E1%89%A2-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%88%92-%E1%88%B0%E1%8A%90-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%B0%E1%8A%AE%E1%88%B0-%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%8C%8A-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%A0%E1%88%AD%E1%8C%A0%E1%88%A9-5-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%89%95%E1%88%AA%E1%89%A1\/4512360.html"} {"headline":"ኣብ ኣዋሰንቲ ወረዳታት ክልል ኦሮምያን ሶማልን ብዝተፈጥረ ግጭት ልዕሊ 700 ሰባት ምሟቶም ሰመጉ ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ አዋሰንቲ ወረዳታት ክልል ኦሮምያን ክልል ሶማልያን ብሰንኪ ዝተፈጥረ ግጭት ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ልዕሊ 700 ዜጋታት ህይወቶም ስኢኖም ክብል ናይ ኢትዮጵያ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት(ሰመጉ) ኣብ ዘውጽኦ ፍሉይ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። ኣብዚ ግጭት ሓያለ ደቂ ኣንስትዮ ተደፊረን፡ ብዙሓት ኣበይ ከምዝኣተዋ ኣይፍለጥን፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኸአ ናይ አካል ጉድኣት በጺሕዎም ክብል ሰመጉ ኣብቲ ፍሉይ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ። ዝበደሉ ብሕጊ ክቅጽዑ፡ ዝተበደሉ ክከሓሱ’ውን እቲ ትካል ወሲኹ ሓቲቱ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ምሉእ ጸብጻብ ሰመጉ ኣብዚ ምንባብ ይክኣል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%89%B2-%E1%8B%88%E1%88%A8%E1%8B%B3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%A8-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-700-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%9F%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%88%B0%E1%88%98%E1%8C%89-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4511302.html"} {"headline":"መንእሰያት ዓፋር ኣብቲ ክልል ዝፍጸሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ደው ክብል ሓቲቶም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር እዋን ውልቀ መለኽቲ ሓሊፉ’ዩ ዝበሉ ገለ መንእሰያት ዓፋር ኣብቲ ክልል ንዝፍጸሙ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ደው ክብል ንፈደራል መንግስቲ ሓቲቶም። ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ወከልቲ ህዝቢ’ቲ ክልል ካብ ዝመያየጡ ንደሓር ንዕ ም ጥርዓን ዘቕረቡ መንእሰያት ምእሳርን ምፍርራህን ቀጺሉ’ሎ ዝበሉ ነበርቲ’ቲ ክልል ዝኾኑ መንእሰያት ኣብቲ ምምይጥ ንዝተረኽቡ መንግስቲ’ቲ ክልል ዝመረጾምን ደገፍቲን ካድረታት ጥራይ’ዮም ኢሎም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%8D%8D%E1%8C%B8%E1%88%99-%E1%8C%8D%E1%88%85%E1%88%B0%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%88%93%E1%89%B2%E1%89%B6%E1%88%9D\/4511287.html"} {"headline":"ዑደት ቀ\/ሚ ኣብይ ዝምድና መንግስቲ ምስ ዳያስፖራ ኢትዮጵያዊያን ከዕብይ ተስፋ ተነቢርሉ’ሎ","content":"ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ድሕሪ ኣብ ኣሜሪካ ዘካየድዎ ፅዑቕ ናይ ሽዱሽተ መዓልታት ዑደት ናብ ሃገሮም ምምላሶም ይፍለጥ።ሕዚ እቲ ሕቶ እዚ ዝፈጠሩዎ ሓድሽ ርክብ ኣብ ልዕሊ ብቕልጡፍ ይልወጣ ካብዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ኣብ ዝኾነት ኢትዮጵያ እንታይ ፅልዋ ይህልዎ ዝብል እዩ። ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝተጉዓዙለን ናይ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣታት ምስ ደገፍቶም ተራኺቦም እዮም።ኣብ ከተማታት ዋሽንግተን፣ሎሳንጀለስን ሚኒሶታን ኣብዝነበሩ ኣጋጣሚታት ኢትዮጵያዊያን ዳያስፖራ ሓደ ካብቶም መናእሰይን ንቑሓትን ኣፍሪቃዊያን መራሕቲ ንዝኾኑ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ብውዕዉዕ ተቐቢሎምዎም። ዶ\/ር ኣብይ ምስ ናይ ሃይማኖት ጉጅለታት፣መራሕቲ ተቓወምትን ምኽትል ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ማይክ ፔንስን ተራኺቦም፡ ትማሊ ረቡዕ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣለው፤እዚ ሓድሽ ምትእስሳር ናብ ሓደሽቲ ዕድላት ክልወጥ ብዙሓት ተስፋ ኣለዎም። “ምስ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያዊያን ኣሜሪካዊያን ንምርኻብ ነዊሕ ዝፀንሐ ሸቶና ኣዐዊትና ተመሊስና ኣለና።ቀንዲ ሸቶ ፃንሒትና ኣብ መንጎ ኢትዮጵያዊያን ዘሎ ናይ ፅልኢ መንድቕ ንምፍራስን ናይ ፍቕርን ምትእስሳርን ድልድል ንምህናፅን እዩ።እዚ ግሁድ ዝኾነ ሳላ ድልውነትን ልባዊ ድልየትን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን እዩ። ዳግም ክራኸቡ ድልዋት ዝኾኑ ዳያስፖራ ለውጢ ዝመፅእ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ፅን ኢሎም ንምስማዕ ድልየት እንተሃኢሉዎም እዩ ይብሉ።ሓደ ካብኦም ሰራሕተኛ ባንኪ ጌታቸው እግዛብሄር እዩ። “ኣብ ኢትዮጵያዊያን ዳያስፖራ ዘሎ ፀጋታት ብዝግባእ ዝተረድኡ እዮም።ብዙሓት ዝተማሃሩን ሰብ ሞያን ኢትዮጵያዊያን፣ብዙሓት ኢትዮጵያዊያን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣለው።” ኢትዮጵያ ማዕጾኣ ከፊታ ኣውፈርቲ ንዘለው ፀጋታት ክትጥቀመሎም ድልየት ኣለዋ።ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንሰተር ኣብይ ኣሕመድ ኣቶ ፍጹም ኣረጋ ከምዚ ይብሉ። “ክንዛረቦም ንኽእል ንኸውን።ግን ብዘለዎም ቅልዑነትን ተመኩሮን ካብኡ ንላዕሊ ክርእዩ ዝኽእሉ እዮም።” እቶም ተሞክሮታት መነባብሮ ደቂ ኣንስትዮ ዘመሓይሹ ዕድላት ምፍጣር ይሓውስ።ፍረህይወት ደርሶ ናይ ጡብ ካንሰር ትካል ዝጀመረት ነርስ እያ።ንሳ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ማሕበረሰበንን ሃገረንን እምነ ኩርናዕ እየን ትብል። “ትካልና ኣብቶም ዝሓልፉ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ዳያስፖራን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያን ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ክሕግዝ ፀኒሑ’ሎ።ኣብ ኢትዮጵያ ብሕጊ ንምምዝጋብ ኣብ ከይዲ ኣለና።ኣብታ ሃገር ናይ ካንሰር ማእኸል ንምህናፅ ተስፋ ኣለና።” መሓቡብ ኣባዋጂ በዓል ሞያ ሕጊ ኣባል ተቓዋሚ ውድብ እዩ።ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝሰርሖ ስራሕ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ምቹእ ሃዋህው ክፍጠረሉ ተስፋ ኣለዎ። “እዚ ክእለት እዚ፣እዚ ተመክሮ እዚ ሒዘ፤ናብ ሃገረይ ወሲደ ንብዙሓት ሰባት ስራሕ ንምፍጣር ክፍትን እኽእል እዩ።” ገሊኦም ዳያስፖራ ንምሕጋዝ ድሉዋት እዮም፤ወድዓዊ ክኾኑ ከምዘለዎም ድማ ይርድኡ። ወሰን ደበላ ኣብ ናይ ኢትዮጵያዊያን ደቂ ኣንስትዮ ማእኸል ሰብኣዊ መሰላት ትሰርሕ። “ነታ ሃገር ናብ ቅድሚት ዘሰጉም መንእሰይ መራሒ ኣለና፤ሕጉስ እየ።ኢትዮጵያዊያን ትዕግስቲ ንክገብሩ ፃዊዕተይ የቕርብ ኣለኹ፤ምኽንያቱ ኩሉሻዕ ለውጢ ኣብ ሓደ ለይቲ ኣይመፅእን።ዕድል ሃብዎ፤ሰባት ነታ ሃገር ንቕድሚት ኣብዘሰጉም ተግባር ኣበርኽቶ ክገበሩ ኣለዎም ክብሎም እደሊ።ዶ\/ር ኣብይ ከምዝበሉዎ ናይ ኣፍሪቃ መራሕቲ ክንኸውን ኣለና።” ንግዚኡ ጠመተ መንግስቲ ኣብ ዞባዊ ውህደትን ምትእስሳር ምስ ዳያስፖራን እዩ ዝበሉ ኣቶ ፍፁም ኣረጋ ወሲኾም ከምዚ ኢሎም።። “እዋኑ ኢትዮጵያዊያንን ዳያስፖራ ማሕበረሰብን ናብ ሓድነት ምምፃእ እዩ።ንድሕሪት ዝጎተቱና ብዙሓት ኣፈላላያት ኣለውና።ብዝግባእ ክንረዳዳእ ኣይፀናሕናን።” ኣብቶም ኣጋጣሚታት ኣብ ኢትዮጵያዊያን ኣሜሪካዊያን ሓያል ተስፋ ይስትውዓል።ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ናብ ኣሜሪካ ቅድሚ ምምፅኦም እውን እንተኾነ ካብ ዳያስፖራ ናብ ውሽጢ ሃገር ዝልኣኽ ገንዘብ ወሲኹ ነይሩ።ኢትዮጵያ ቁጠብኣ ናብ ናይ ውልቂ ዓውዲ ንምዛር እትገብሮ ፃዕሪ ብምቕልጣፍ ካብ ናይ መሰረተ ልምዓት ኢንቨስትመንት ወፂኣ ጠመትኣ ናብ ናይ ንግዳዊ ዓውዲ ክኸውን እዩ እቲ ኣንፈት። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%8A%93-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5%E1%8D%96%E1%88%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%8B%95%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%88%B5%E1%8D%8B-%E1%89%B0%E1%8A%90%E1%89%A2%E1%88%AD%E1%88%89-%E1%88%8E\/4511143.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ካብ ዝተአከበ ጎሓፍ ሓይሊ ኤሌትሪክ ተመንጭው","content":"ኣብ ዋና ከተማ ኢትዮጵያ አዲስ አበባ ዝርከብ ብተለምዶ “ቆሼ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ ዝተአከበ ኣስታት 300,000 ቶን ዝኸውን ጎሓፍ ዳግማይ ብምምስራሕ ሓይሊ ኤሌትሪክ ዘመንጭው ምንጪ ጸዓት ኣብቲ ቦታ ይስራሕ’ሎ። መንግስቲ ምስ ካምሪጅ ኢንዳስቲሪስ ዝተባህለ ናይ ብሪጣንያ ኩባንያ ብምትሕብባር ብዓይነቱ ናይ መጀመርያ ዝኾነ ነቲ ንልዕሊ 50 ዓመታት ኣብቲ ቦታ ክእክብ ዝጸንሓ ጎሓፍ ዳግማይ ብምምስራሕ ናብ መመንጨዊ ጸዓት ንምቕያር ዘኽእል መሳለጥያ ኣብ 2013 ተኺሉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዝተፈላልየ ምክንያት እቲ 120 ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ዝተገብረሉ ፕሮጀክት ከይተዛዘመ ጸኒሑ’ዩ እንተኾነ ሕጂ ግን እቲ ፕሮጀክት ተዛዚሙ ስራሕ ክጅምር ድልው ምኳኑን ንኣስታት 1,500 ዜጋታት ናይ ስራሕ ዕድል ዝፈጥር ምኳኑ ይገልጹ። No media source currently available ማኔጂንግ ዳይሬክተር እቲ ኩባንያ ኤልያስ ኣለማየሁ ብዛዕባ ምጅማር ስራሕ’ቲ ኩባንያ ከምዚ ይብል። “ እቲ ትካል ኣስታት 185 ጌጋ ዋት ሓይሊ ኤሌትሪክ ብምምንጫው ናብቲ ዋና መመንጨዊ ጸዓት’ታ ሃገር ክሕውስ’ዩ። እዚ ማለት ድማ ኣስታት 30 ሚእታዊት ሓይሊ መብራሕቲ’ታ ከተማ በዚ መመንጨዊ ጸዓት ክሽፈን’ዩ ማለት’ዩ። ስለዚ እዚ ኩባንያ ነቲ ኣብታ ከተማ ዝተአኸበ ጎሓፍ ኣብ ምምሕዳርን ምምንጫው ጸዓትን ዘተኾረ ንክልተ ዒላማ ዘገልግል’ዩ።” ይኹን ደኣ እምበር በዚ ዝተኣታተው ዘሎ ሓድሽ ለውጢ ኹሉ ወገን ሕጉስ’ዩ ማለት ኣይኮነን። ኣብቲ ዝተአኸበ ጎሓፍ ኣቑሑት ብምእራይ ዝመሓደሩ ኣስታት 1,500 ዝኾኑ ሰባት እቲ ለውጢ ንመነባብርኦም ብኣሉታ ከምዝጸልው ይሕብሩ። መርከብ ቦቻሞ አደ ክልተ ቆልዑ በዓልቲ ሓዳር’ያ። መዓልታዊ ደቃ ናብ ቤት ትምህርቲ ድሕሪ ምኻዶም ክሽየጥን ዳግማይ ክምስራሕ ዝክእል ኣቑሑት ብምእራይ ትሸይጥ፡በዚ ድማ ናብራ ከምትመርሕ ትገልጽ። “ ኣብ ወርሒ ንኣስታት 15 መዓልታት ናብዚ ቦታ ብምኻድ ኣቑሑት ይእክብ። ዳሕራይ ነቲ ኣቑሑት ብምጽራይ ይሸጦ። ካብ 25 ክሳብ 28 ዶላር ይረኽብ። በዚ ድማ ንስድራ ቤተይ መግቢ ክገዝእ ይክእል። ካብ በዓል ቤተይ ዝረኽቦ አታዊ ድማ ንካልእ ወጻኢታት ይሽፍን። ብተወሳኺ ኣብ ዝደለኽዎ ጊዜ ናብ ገዛይ ክምለስን ደቀይ ክርእይን ይኽእል ኣብ ካልእ ስራሕ ከምዚ ዓይነት ዕድል ኣይረኽብን።” ድሕሪ ምባል አታዊ በዓል ቤታ እኹል ብዘይምዃኑ ናብዚ ስራሕ ምውፋራ’ውን ትሕብር። ናብዚ ቦታ ብምምጻእ ኣቑሑት ምእራይ ንዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት ከምዝሰርሓት ብምግላጽ ሕጂ ግን ዘለዋ ሻቕሎት ከምዚ ክትብል ትሕብር። “ እቲ ዝተአኸበ ጎሓፍ እንተተዓጽዩ ኣብ ገዛ ኮፍ ክብል ክግደድ’የ። ስለዚ ከም ናይ ገዛ ሰራሕተኛ ዝአመሰሉ ስራሕ ክደልይ ክግደድ’የ። ኣብ ካልእ ቦታ ስራሕ ምርካብ ድማ ቀሊል ኣይኾነን ካብ መጀመርያ’ውን ካልእ ናይ ስራሕ ዕድል እንተዝረኽብ ኔረ ኣብ ቆሼ ንምስራሕ ኣይምተገደድኹን ኔረ።” እቲ ዝተአኸበ ጎሓፍ ካብ ዝፈጥሮ ሽታ ብተወሳኺ ሚቴን ዝተባህለ ንአከባቢ ሓደገኛ ዝኾነ ጋዝ ከምዝተፍእ ሰብ ሞያ ይሕብሩ። እዚ ጋዝ ድማ ንሙቐት ጸሓይ ካብ ሃዋህው ብምምጣጥ ለውጢ ክሊማ የስዕብ። እዚ ሓድሽ ፕሮጀክት ነቲ ጋዝ ናብ ሃውህው ከይሕወስ ከምዝኸላከል ሰብ ሞያ ወሲኾም የረድኡ። እዚ ፕሮጀክት አካል እቲ መንግስቲ ኣብ ሕዳር 2011 ዓ.ም ንኢትዮጵያ ካብ ማእከላይ አታዊ ዘለዎም ሃገራት ንምጽንባርን ብ2025 ናብ ሃዋህው ዝፍነው ጋዝ መጠን ከይወስኽ ንምግባር ዘካይዶ ጻዕርታት አካል ምዃኑ ይፍለጥ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%A0%E1%8A%B8%E1%89%A0-%E1%8C%8E%E1%88%93%E1%8D%8D-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%8A%A4%E1%88%8C%E1%89%B5%E1%88%AA%E1%8A%AD-%E1%8B%98%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%AD%E1%8B%8D-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%8C%AA-%E1%8C%B8%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%89%B0%E1%8A%AD%E1%88%8D\/4510729.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ናይ ኣሜሪካ ዑደቶም ዛዚሞም ናብ አዲስ አበባ ተምሊሶም","content":"\"መንድቕ ኣፍሪስና ድልድል ንህነጽ\" ዝብል ቴማ ሒዙ ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ምስ ኢትዮጵያዊያን ዳያስፖራ ንሽዱሽተ መዓልታት ፅምዶ ከካይድ ዝቐነየ ብቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ጉጅለ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሱ። ምስቲ ጉጅለ ንዓመታት ኣብ ስደት ዝፀንሑ ፓትሪያሪክ ኦርቶዶስክ ኢትዮጵያ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ መርቆርዮስ እውን ሓቢሮምዎም ተመሊሶም ኣለው።ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ እዚ ናይ ሰሜን ኣሜሪካ ዑደቶም ኣዚዩ ዕዉትን ዝበለፀ ሓላፍነት ዘሸክምን እዩ ኢሎም ኣለው። ንሶም ብተወሳኺ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ዕርቂ ጌራ ሓደ ከምዝኽዕነት ናይ ኤርትራ’ውን ከምኡ ክትከውን ክንሰርሕ ኢና ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%9E%E1%88%9D-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%89%B0%E1%88%9D%E1%88%8A%E1%88%B6%E1%88%9D\/4509624.html"} {"headline":"ሰማያዊ ፓርቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ለውጢ ደገፉ ገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ለውጢ ከይዕንቀፍ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ግቡአይ ክፍፅም እየ ክብል ሰማያዊ ፓርቲ ኣፍሊጡ።ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ይወስዱዎም ኣለው ዝበሎም ናይ ፍቕርን ምርድዳእን ስጉምቲ ብፅኑዕ ከምዝድግፍ ገሊፁ’ሎ። እቲ ፓርቲ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ናይ ፖለቲካ ሓይልታት እውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ንኽወስዱ ፀዊዑ’ሎ ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%9B%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%80%E1%88%98%E1%88%A8-%E1%88%88%E1%8B%8D%E1%8C%A2-%E1%8B%B0%E1%8C%88%E1%8D%89-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4509496.html"} {"headline":"ጅቡቲ፡ንጻውዒት ምልዓል እገዳ ኤርትራ ብፕረ. ሶማል ነቒፋ","content":"ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኤርትራ ዑደት ኣብ ዘካየድሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክለዓል ንሕቡራት ሃገራት ዘቕረብዎ ጻውዒት ጅቡቲ ኮኒናቶ። ኤምባሲ ጅቡቲ ኣብ ሶማል: ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኤርትራ ዑደት ኣብ ዘካየድሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክለዓል ንሕቡራት ሃገራት ዘቕረብዎ ጻውዒት መንግስቲ ሪፖብሊክ ጅቡቲ ምሕዛኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። እቲ ብመገዲ ኤምባሲ ጅቡቲ ኣብ ሶማል ሎሚ ባሕቲ ነሓሰ ዝወጸ መግለጺ- “ሶማል ከም ልኡላዊት ሃገር ምስ ዝኾነት ሃገር'ቲ ዞባ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክትምስርት መሰላ ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ: እንተኾነ ከም ሶማል ዝአመሰለ ሓው ጅቡቲ ዝኾነ መንግስቲ: መሬትን እሱራት ጅቡትን ንዝሓዘ መንግስቲ ኤርትራ ድጋፍ ክህብ ግን ቕቡል ኣይኮነን ” ኢሉ። ፕረዚደንት መሓመድ ከም ፕረዚደንት ሓው ሃገረ ሶማል፡ ኣብ መግለጺኡ ንጉዳይ ዶባዊ ሽግር ኤርትራን ጅቡትን ክጠቕሶ ይግባእ ነይሩ ዝበለ መግለጺ ኤምባሲ ጅቡቲ ኣብ ሶማል፥ ፕረዚደንት መሓመድ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሪፖብሊክ ጅቡቲን ዘሎ ናብ ዶብ ግጭት ብሰላማዊ መንገዲ ዝፍትሓሉ መንገዲ ክጽውዕ ይግባን ኔሩ ክብል ብተወሳኺ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡቲን ብዝተፈጥረ ናይ ዶብ ግጭት ጅቡቲ ከቢድ ዋጋ ከምዝኸፈለትን እቲ ጉዳይ ክሳብ ሕጂ ከምዘይተፈትሓን ብምግላጽ: ሶማል ነቲ ንኤርትራ ትህቦ ደገፍ ንጅቡቲ ቅቡል ከምዘይኮነ'ዩ እቲ መግለጺ ሓቢሩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣምባሳደር ጅቡቲ ኣብ ሶማል ዓደን ሓሰን ዓደን ነዚ ብዝምልከት ምስ ድምጺ ኣመሪካ ቋንቋ ሶማል ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መጠይቕ: መግለጺ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላህ መሓመድ ኣብ ጉዳይ ምልዓል ብሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ \"ኣዝዩ ዘሰንብድ\" ክብል ገሊጽዎ። \"ዞባዊ ሰላምን ዕብየንት ዝምጽእ ኩሉ ንድግፎ ኢና። እንተላይ ዲፕሎማውያዊ ምብጻሕ ኣብ ሞንጎ ሃገራት\" ዝበለ ኣምባሳደር ጅቡቲ ኣብ ሶማል ዓደን ሓሰን ዓደን \"ይኹንምበር ቁጠባን ኣህጉራዊ ምስልን ጅቡቲ ክጎድእ ተሓሲቡ ንዝካየድ ግን እቲ ደረጃ ሓሊፍናዮ ኢና\" ክብል ብተወሳኺ ንድምጺ ኣመሪካ ቋንቋ ሶማል ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ ሓቢሩ። ቀዳማይ ጸሓፊ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት አቶ ነቢል ስዒድ: ትማሊ ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ተረኺቦም እቲ ቤት ምኽሪ ንሰላምን ጸጥታ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣወንታዊ ኣበርክቶ ንምግባር ካልእ ዕድል ክሓልፎ የብሉን ድሕሪ ምባል ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሓደጋ ዘሎ ተአማንነት’ቲ ቤት ምኽሪ ብዜጋታት እቲ ዞባ’ዩ ክብሉ ምፍላጦም ይዝከር።። ቀዳማይ ጸሓፊ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት አቶ ነቢል ስዒድ ብዘይካዚ፤ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ብቕልጡፍን ብዘይ ዝኾነ ቕድመ ኹነት ብምልዓል እቲ ቤት ምኽሪ ዜጋታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሰላምን ብዕዉት ቑጠባ ብሓባር ክነብሩ ንዘለዎም ንድልየት ከምዝድግፍን ኣወንታዊ መልእኽቲ ከሕልፍ ኣለዎ ክብሉ ኣብቲ ኣጋጣሚ ጸዊዖም እዮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B3%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%8C%85%E1%89%A1%E1%89%B2-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%8A%95%E1%8C%BB%E1%8B%8D%E1%8B%92%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8A%A5%E1%8C%88%E1%8B%B3-%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%8A%90%E1%89%92%E1%8D%89\/4509354.html"} {"headline":"ራብዓይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ብጹዕ ኣቡነ መርቀርዮስ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም","content":"ንኣስታት 27 ዓመታት ኣብ ስደት ዝጸንሑ ራብዓይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ መርቆርዮስ ሎሚ ረቡዕ ኣዲስ አበባ ኣትዮም። ምእመናንን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባን ናብ ጎደናታት ብበዝሒ ብምውጻእ ነቶም ፓትሪያርክ ተቐቢሎምዎም ኣለው። ኣብቲ ስነ ስርዓት ምቕባል ርእይቶኣ ዝሃበት ወ\/ሮ ኣለም ባይሳ ‘እቶም ፓትርያርክ ናብ ሃገሮምን ቤቶምን ካብ ምምላስ ዝበለጸ ምንጪ ታሕጓስ የለን’ ኢላ’ላ። ኣብ’ቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝተገበረ ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ፓትሪያርክ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ፣ ብጹኣን ኣቦታት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ካልኦት ኣጋይሽን ተረኺቦም ነይሮም። ራብዓይ ፓትሪያርክ ኣቡነ መንቆርዮስ ናብ ኢትዮጵያ ዝተመለሱ ምስ ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ’ዩ። እቶም ፓትሪያርክ ንዓዶም ዝተመለሱ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ብዘቕረብሎም ዕድመ ምዃኑ’ውን ይፍለጥ። ንዝሓለፈ 27 ዓመታት ብክልተ ሲኖዶስ ትመሓደር ዝነበረት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ኣብ ሓደ ድሕሪ ምሕባራ ብጹዕ ኣቡነ መርቀርዮስ ሎሚ ረቡዕ ናብ ሃገሮም ምምላሶም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር አቶ ፍጹም አረጋ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AB%E1%89%A5%E1%8B%93%E1%8B%AD-%E1%8D%93%E1%89%B5%E1%88%AD%E1%8B%AB%E1%88%AD%E1%8A%AD-%E1%8A%A6%E1%88%AD%E1%89%B6%E1%8B%B6%E1%8A%AD%E1%88%B5-%E1%89%B0%E1%8B%8B%E1%88%85%E1%8B%B6-%E1%89%A4%E1%89%B0%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8C%B9%E1%8B%95-%E1%8A%A3%E1%89%A1%E1%8A%90-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%89%80%E1%88%AD%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%8A%E1%88%B6%E1%88%9D\/4508918.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ዝነበሮም ዑደት ዛዚሞም","content":"ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሕዎ ጉጅለ ኣብ ኣሜሪካ ምስ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያን ዝገበርዎ ጽምዶ ትማሊ ኣብ ሚነሶታ ዛዚሞም ኣለው። ትማሊ ኣብ ክፍለ ግዝ ኣት ሚነሶታ ከተማ ሚንያፖሊስ 40 ሽሕ ህዝቢ ኣብ ዝሕዝ መ አኸቢ ህዝቢ ኣብ ዝገበርዎ መደረ ቀ\/ሚ አብይ አሕመድ ፍቅርን ሓድነትን ዝብላ ቃላት ብምድግጋር እዚ ዘለናዎ እዋን መጻኢና ዝእንፍት ወሳኒ ጊዜ’ዩ ኢሎም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%9E%E1%88%9D\/4507978.html"} {"headline":"ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ\/ሃ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሶማል ዝተበጽሓ ስምምዕ ምሕዝነትን ምትሕግጋዝን ንኢዱ","content":"ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ሶሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኤርትራን ሶማል ንዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ብሓባር ክሰርሓ ምስምማዕን ከምዘሐጎሶ ብምግላጽ እቲ ውድብ ንጻዕርታት’ቲ ዞባ ንምሕጋዝ ዘለው ድልውነት ደጊሙ አረጋጊጹ። ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንወርሒ ሓምለ ኮይኖም ዝተመዘዙ ኣምባሳደር ሽወደን ኦልፍ ስኮግ ድሕሪ ኣኼባ’ቲ ውድብ ኣብ ጉዳይ ሶማል ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ቃል “ አባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ፈደራል መንግስቲ ሶማል ነቲ ኣብ ልዕሊ’ታ ሃገር ተነቢሩ ዘሎ ናይ ኣጽዋር እገዳ ብከፊል ንምልዓል ዘተኣታተዎ ናይ ፖለቲካን ጸጥታን ለውጢን፡ምምሕያሽ ምምሕዳር ኣጽዋርን ንዒዶም” ኢሎም። ንሶም ብተወሳኺ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ነቲ ኣብ ሓምለ 9,2018 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዝተኸተመ ኣዋጅ ሓባራዊ ሰላምን ምሕዝነትን ከምኡ’ውን ክልቲኦም ወገናት ንዞባዊ ሰላም፡ምዕባለን ምትሕብባርን ዘካየድዎ ሓባራዊ ጻዕርታት ምምዓዱ ገሊጾም። ኣምባሳደር ሶማል ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣቡበከር ዳሂር ዑስማን ብወገኖም ሶማል ግዴታ ንምምላእ ንትካላት’ታ ሃገር ዳግማይ ንምምስራትን ለውጢ ንምትእትታው ዘለዋ ተወፋይነት ከተርእይ ጸኒሓ’ያ ኢሎም። “ጻዕርታትና ቀስ ብቀስ ፍረ ክርከቦም ጀሚሩ’ዩ እንተኾነ ሕጂ’ውን ክንዲ ነቲ ምዕባለ ኣፍልጦ ምሃብ ብዛዕባ’ቲ ገና ዘይተጎናጸፍናዮ ንንቐፍ ኣለና። ክእለትና ገና ኣብ ናይ መጀመርያ ደረጃ’ዩ ዘሎ ነኸነዕብዮ ድማ ደገፍን አጋርነትን እዚ ቤት ምኽሪን ተሓጋገዝቲ አካላት የድልይ’ዩ።” ቀዳማይ ጸሓፊ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት አቶ ነቢል ስዒድ: እቲ ቤት ምኽሪ ንሰላምን ጸጥታ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣወንታዊ ኣበርኽቶ ንምግባር ካልእ ዕድል ክሓልፎ የብሉን ድሕሪ ምባል ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሓደጋ ዘሎ ተአማንነት’ቲ ቤት ምኽሪ ብዜጋታት እቲ ዞባ’ዩ ኢሎም። “ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ብቕልጡፍን ብዘይ ዝኾነ ቕድመ ኹነት ብምልዓል እቲ ቤት ምኽሪ ዜጋታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሰላምን ብዕዉት ቑጠባ ብሓባር ክነብሩ ንዘለዎም ንድልየት ከምዝድግፍን ኣወንታዊ መልእኽቲ ከሕልፍ ኣለዎ። ብተወሳኺ እቲ ቤት ምኽሪ ንዕንቕፋታት ብምዕላይ ኣብቲ ኣጸጋሚ ዝኾነ ዞባዊ ውሕደት ከሳልዮም ድልውነቱ ይገልጽ።” ኣብ ወርሒ ግንቦት አቦ መንበር ኮሚተ እገዳ ኤርትራን ሶማልን ዝኾኑ ኣምባሳደር ካርዛኪስታን ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ካረት ኡምራቭ ንጅቡቲ፡ኬንያ፡ሶማልን ኢትዮጵያን ኣብ ዝበጽሕሉ ናብ ኤርትራ ክበጽሑ ዘይምኽኣሎም ይዝከር። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8E-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A0%E1%8C%BD%E1%88%93-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%88%95%E1%8C%8D%E1%8C%8B%E1%8B%9D%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8B%92%E1%8B%B1\/4507519.html"} {"headline":"ኤርትራን ሶማልን ሰነድ ሓባራዊ ምሕዝነትን ምትሕግጋዝን ኸቲመን","content":"ኤርትራን ሶማልን ሓባራዊ ምሕዝነትን ምትሕግጋዝን ኸቲመን።ኤርትራን ሪፓብሊክ ሶማልን ሎሚ ሶኑይ ኣርባዕተ ኣጀንዳታት ዝሓዘ ሓባራዊ ስምምዕ ሕውነታዊ ምሕዝነትን ኣጠቓላሊ ምትሕግጋዝን ዝተፈራረማ ኣብ ናይ ኤርትራ መዛዘሚ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደት ፕረዚደንት ሶማል ኣብ ኣስመራ እዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/somalia-and-eritrea-\/4506213.html"} {"headline":"መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ፕሮጀክት ሽኮር ጣና በለስ ኣብ ልዕሊ ተጋሪ ንዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ብትሪ ኾኒኑ","content":"ኣብ ክልል ኣምሓራ ፕሮጀክት ልምዓት ሽኮር ጣና በለስ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ንሕገ መንግስታዊ መሰልን ነፃነትን ዜጋታት ዝፃባእ ተግባር እዩ ክብል ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብፅኑዕ ኾኒንዎ። ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ርክባት መንግስቲ ክልል ትግራይ ሎሚ ሶኑይ ኣብ ዘውፅኦ መግለጺ ሓሳባት ሰላማዊ ብዝኾነ ኣገባብ ምግላፅን ኣፈላላይ እንተሃልዩ እውን ኣፈላላያት ምሓዝን ምግላፅን ኣብዝክኣለሉ ሃገር መንነት ማእኸል ገይሩ ዝፍፀም ዝኾነ ይኹን መጥቓዕቲ ብዝኾነ ይኹን መለከዒ ተቐባልነት ዘይብሉ ተግባር እዩ ኢሉ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ፕሮጀክት ልምዓት ሽኮር ጣና በለስ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ተጋሩ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ንሕልፈት ህይወት ሰለስተ ተጋሩ ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ፡፡ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ብሞት እዞም ወገናት ዝተሰምዖም መሪር ሓዘን እናገለፁ ንቤተሰብ፣ መሓዙትን ፈተውትን ግዳያት እዚ ሓደጋ ፅንዓት ይሃብኩም ኢሉ’ሎ፡፡ እቲ መግለፂ ብተወሳኺ መንነት ማእኸል ገይሩ ዝተፈፀም ዝኾነ ይኹን መጥቓዕቲ ብትሪ ብምኹናን ክንቃለሶ ኢና፤ መንግስቲ ፌዴራልን ክልል ኣምሓራን እውን ኣብዚ ዝተሳተፉ ኣካላት ናብ ሕጊ ክቐርቡን መሃሪ ስጉምቲ ንክወስዱሎምን ንፅውዕ ይብል ፡፡ ነቲ ኹነታት ብዝርዝር ዝምርምር ኮሚቴ ብምጥያሽ ኣብ ቐረባ ናብቲ ከባቢ ሓደ ጉጅለ ከምዝልእኽን ዝርዝር መረዳእታ ንህዝቢ ግልፂ ከምዝገብርን በዚ ኣጋጣሚ ክገልፅ ይፈቱ ይብል፡፡ ኣብቲ ፕሮጀክት ዝሰርሑ ዘዘራረብናዮም ኣብ ዝሃቡና ቃል እቶም ሰለስተ ብዘካሕክሕ ከምዝተቐትሉ ብምግላፅ ካልእ ሓደ ሰብ እውን ብዝወረዶ ከቢድ መውቃዕቲ ንህይወት ኣብ ዘስግእ ደረጃ ከምዝርከብ ገሊፆም።ኣብ ከቢድ ስግኣት ስለ እንርከብ ዝምልከቶም ካብቲ ከባቢ ከውፅኡና ንሓትት ኣለና እውን ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ድምጺ ኣሜሪካ ነበርቲ’ቲ ከባቢን ዝምልከቶም ናይቲ ክልል ሰበስልጣን ኣዘራሪቡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ ናይ ጽባሕ ፈነወ ተኸታተሉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%80%E1%8A%AD%E1%89%B5-%E1%88%BD%E1%8A%AE%E1%88%AD-%E1%8C%A3%E1%8A%93-%E1%89%A0%E1%88%88%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%89%B0%E1%8C%8B%E1%88%AA-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%98-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%89%A5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%8A%BE%E1%8A%92%E1%8A%91\/4506258.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድን ዝመርሑዎ ጉጅለ ምስ ኢትዮጵያዊያን ነበርቲ ሚነሶታ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም","content":"ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድን ዝመርሑዎ ጉጅለን ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ምስ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ዝገብሮ ዘሎ ፅምዶ ሎሚ እውን ቀፂሉ’ሎ። እቶም ቀዳማይ ሚንስተር ዛጊት ኣብ ፅምዶታቶም ፍቕርን ሓድነትን ይቕረ ምብህሃልን ዝብላ ቃላት ብምድግጋም ዲስያስፖራ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ኣወንታዊ ግደ ኣብ ኹሉ መዳይ ክገብሩ ፀዊዖም ኣለው። ንሶም ሎሚ ሶኑይ ምስ ኢትዮጵያዊያን ነበርቲ ክፍለ ግዝ ኣት ሚነሶታ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%88%AD%E1%88%91%E1%8B%8E-%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%9A%E1%8A%90%E1%88%B6%E1%89%B3-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/4506226.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ መቐለ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ","content":"ቀዳም 21 ሓምለ 2010 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።ህዝቢ መቐለን ከባብኣን ካብ ወጋሕታ ሰዓት 11 ጀሚሩ ናብ ስታድዮም ትግራይ ውሒዙ። ብኩሉ ኣንፈት ዝተመመ ህዝቢ ስታድዮም መቐለ ብባንዴራታት ኢትዮጵያ፣ኤርትራን ባንዴራታት ኩለን ክልላትን ማዕሪጉ እዩ ተቐቢልዎ። ኣብ ስታድየም መቐለ ካብ ዝነበሩ ጭርሖታት “ንዘላቒ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ደገፍና ንገልፅ፣ መንነት መሰረት ገይርካ ዝገበር ጥቅዓት ንኹንን” ዝብሉን ንኢንጅነር ስመኘው በቀለ ዘንፀባርቁ ምስልታት ብዝሓዙ ባነር ይርከብዎም ። ስታድዮም መቐለ ካብ ዓቐን ንላዕሊ መሊኡ ኣብ ከባቢኡ ብምዕሳል እውን ህዝቢ ነቲ መደብ ተኸታቲሉን ተሳቲፉን። እቲ ናይ ሰልፊ ስነ ስርዓት ዝሓለፈ ሓሙስ ዝሞተ ዋና አካያዲ ስራሕ ናይ ህዳሴ ግድብ ኢንጂነር ስመኘው በቀለ ሓዊሱ ንሰማእታት ትግራይ ናይ ሕልና ፆሎት ብምግባር እዩ ተጀሚሩ። ስዒቡ ህዝቢ ብሓባር እታ ካብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚራ ዝጸንሓት መዝሙር ህዝቢ ትግራይ “ዘይንድይቦ ጎቦ” ብሓባር ዘሚሩዎ። No media source currently available ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓትን ምክትል ከንቲባ ከተማ መቐለን ኣይተ ብርሃነ ገብረየሱስ እንኳዕ ድሓን መፃእኩም ምስ በሉ ዕላማ ሰልፊ ኣብሪሆም። እቲ ሰልፊ ሰላም ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንድግፍ፤ ዘርኢ መሰረት ገይርካ ዝግበር ጥቃዓት ንኹንን፤ ብሞት ኢንጅነር ስመኘው በቐለ ንሓዝን ዝብሉ ምኳኖም ድሕሪ ምሕባር ንክብሪ ጋሻ እቲ ዕለት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል እቲ ሰልፊ ኣመልኪቶም ዘረባ ከስምዑ ዓዲሙዎም ። ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ንሰላም ህዝብታት ኤርትራን ዘለዎም ልባዊ ባህጊ ብምግላፆም፡ ሕጊ ክኽበርን ዘርኢ ፈሊኻ መጥቃዕቲ ንኩሉ ስለዘይጠቅም ክኹነን ከምዘለዎ ገሊፆም። ዶክተር ደብረፅዮን ብዘይካ እዚ ዘለና ዕድል ወይ ተኸባቢርካ ምንባር ወይ ድማ ምብትታን እዩ ክብሉ ተዛሪቦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/rally-in-mekelle-city\/4506026.html"} {"headline":"ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ኣስመራ ኣትዮም","content":"ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ሎሚ ቀዳም ሓምለ ፍርቂ መዓልቲ ኣስመራ ኣትዮም። ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቅን ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትንኤርትራ፤ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝኣተውሉ ኣቀባብላ ገይሮምሎም። ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ብዕድመ ፕረዚደንት ኢሰያስ ናብ ኤርትራ ዝመጹ ክኾኑ እንከለው፤ ምስቶም ፕረዚደንት ሚኒስተራት ዜና ባህልን ቱሪዝምን፤ ሚኒስተር መጉዓዝያ፤ ሚኒስተር ህንጻን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበስልጣን ሶማል እውን ሓቢሮም ኣስመራ ከምዝኣተው ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ድሒሩ ብዝተረኽበ ሓበሬታ ክልቲኦም መራሕቲ ድሮ ርክብ ከምዘካየዱ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ገሊጹ። ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላህ መሓመድ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓለን መዓልታት ንዝተፈላለየ ልምዓታዊ መደባት እናተዘዋወረ ከምዝዕዘብውን ብተወሳኺ ተሓቢሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%88%98%E1%88%93%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8B%93%E1%89%A5%E1%8B%B1%E1%88%8B%E1%88%82-%E1%88%98%E1%88%93%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%88%9D\/4503952.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ማይክ ፐንስ ተዘራሪቦም","content":"ኣብ ኣሜሪካ ዝበጽሕሉ ዘለው ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ዓርቢ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ማይክ ፔንስ ተራኺቦም: ምዝርራቦም ቤት ጽሕፈት ምክትል ፕረዚደንት ካብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ርክብ ምክትል ፕረዚደንት ማይክ ፔንስ ኣሜሪካ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዝጸንሓ አጋርነት ዳግማይ ብምርግጋጽ: ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት: ናይ ንግዲ ሃዋህው: ከምኡ'ውን ምስ ኤርትራ ዝተበጸሓ ስምምዕ ሰላም ዝርኸብዎም ጉዳያት ንዘካይድዎ ዘለው ጻዕርታት ንታሪኻዊ ለውጢ ንዒዶም። እቶም ምክትል ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለው ግጭታት ንምፍታሕ ትጻወቶ ተራ መሪሕነትን ምስ ኣሜሪካ ዘለዋ ዝምድና ወፍሪ ክትቅጽል'ውን ኣተባቢዖም። ኣብ መወዳእታ ክልቲኦም መራሕቲ ንናይ ሃገራቶም ናይ ሓባር ክብርታት ብምስማር አጋርነቶም ከምዘሓየሉ አረጋጊጾም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%9D-%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%88%9B%E1%8B%AD%E1%8A%AD-%E1%8D%94%E1%8A%95%E1%88%B5-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/4503655.html"} {"headline":"ኣብ መላእ ክልል ትግራይ ጽባሕ ቐዳም ሰላማዊ ሰልፊ ክኻየድ'ዩ","content":"ጽባሕ ቐዳም ኣብ ክልል ትግራይ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ እዩ። ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት መንግስቲ ክልል ትግራይ አቶ ረዳኢ ሓለፎም ብዛዕባ'ቲ ሰልፊ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቦም ኣለው። አቶ ረዳኢ ንኹሎም መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እዚ ሰልፊ ህዝቢ ከም አጀንዳ ሒዙ እናሰርሓሉ ዝጸንሓ መንግስቲ ክልል ትግራይን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ሰለስቲኦም ብሓባር ዘጸውዕዎ ሰልፊ እዩ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%88%8B%E1%8A%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8C%BD%E1%89%A3%E1%88%95-%E1%89%90%E1%8B%B3%E1%88%9D-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8A-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8A%AD%E1%8A%BB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8B%A9\/4503230.html"} {"headline":"ስለ ዝኽሪ ኢንጂነር ስመኘው በቀለ፣ ኣካያዲ ስራሕ ህንጸት ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ኢትዮጵያ","content":"ካብ ዝተጀመረሉ ዕለት ኣትሒዙ ንህንጸት ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዘፈጽሙ ዝነበሩ ኢንጂነር ስመኘው በቀለ ኣብ ሕምብርቲ ኣዲሳበባ ትማሊ ንጉሆ ኣብ መኪናኦም ሞይቶም ከምዝተረኸቡ ዝዝከር'ዩ። ፖሊስ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ስመኘው ኣብ ጸጋማይ ጉንዲ እዝኖም ብጥይት ተወቒዖም ከምዝዓረፉን መስርሕ ምጽራይን ምርመራን ቀጺሉ ከምዘሎን ኣፍሊጡ'ዩ። ከምኡውን ውጽኢት ምርመራ ኣብ ሓጺር እዋን ናብ ህዝቢ ንምግላጽ ከምዝወጠነ ሓቢሩ'ሎ። ንሎሚ ቅድሚ ኣስታት ሰለስተ ዓመት ምስ ኢንጂነር ስመኘው በቀለ ዝገበርናዮ ቃለ ምልልስ ምልስ ኢልና ክነስመዐኩም። ንዝሓዘኑ ስድራ ቤት፣ ቤተ-ሰብን ዝፈልጥዎምን ጽንዓት ይሃብ ንብል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/enginner-smegnew-bekele-of-gerd-was-found-dead-in-his-car-in-the-heart-of-addis-ababa-on-july-26-2018\/4503234.html"} {"headline":"ስነ ስርዓት ቀብሪ ኢንጂ. ስመኘው በቀለ ሰንበት ክፍጸም'ዩ","content":"ትማሊ ኣብ አዲስ አበባ መስቀል አዲስ አበባ ኣብ መነኦም ሞይቶም ዝተረኽቡ አካያዲ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሴ ኢንጂነር ስመኘው በቀለ ስነ ስርዓት ቀብሪ ሰንበት ከምዝፍጽም አተሓባባሪ ኮሚተ አፍሊጡ።\\nሞት ኢንጂነር ስመኘው በቀለ መዘራረቢ ኣብ ዝኾነሉን ደበና ጓሂ ኣብ ዘንጸላለዋ ኢትዮጵያ ምድላው ስነ ስርዓት ቀብሮም ቀጺሉ'ሎ። ኢንጂነር ስመኘው በቀለ ብጥይት ተሃሪሞም ምሟቶም ፖሊስ ዝሓበረ እንተኾነ ሬሳኦም ግን ኣብ ቅዱስ ጳውሎስ ሆስፒታል ኣብ ምርመራ ከምዘሎ ይፍለጥ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%89%A5%E1%88%AA-%E1%8A%A2%E1%8A%95%E1%8C%82-%E1%88%B5%E1%88%98%E1%8A%98%E1%8B%8D-%E1%89%A0%E1%89%80%E1%88%88-%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%8C%B8%E1%88%9D-%E1%8B%A9\/4503195.html"} {"headline":"ኣብ ክልተ ተመቒላ ዝጸንሓት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ሓቢራ","content":"ንልዕሊ 27 ዓመታት ኣብ ኽልተ ተገማሚዓ ዝፀንሐት ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ክልተ ሲኖዶስ ሓቢረ።ብፁእ ኣቡነ ቅዱስ ማቲያስ ንቅድስት ቤተ ክርስትያን ክመርሑዋ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ መርቆሪዮስ ድማ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ብደረጃ ፓትሪያሪክ ፀሎትን ቡራኬን ከብፅሑ ተሰማሚዖም ኣለው። ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ብዛዕባ ዝተፈፀመ ስምምዕ ነቲ ናይ ሓባር መግለፂ ዘንበቡ ንብፁእ ኣብርሃም ሰለሞን ኣባተ ኣዘራሪቡዎም ኣሎ ገብረ ገብረመድህን ከቕርቦ እዩ። መራሕቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወፃእን ናይ ዝርከቡ ሲኖዶሳት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያን ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ከምኡ’ውን ኣመንቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ስነስርዓት ትማሊ ሓሙስ ዋሽንግተንድ ዲሲ ኣብዝርከብ ደብረምህረት ቅዱስ ሚካኤል ሓባራዊ ቅዳሴ፣ፀሎትን ምስጋናን ምስ ኣኽበሩዎ ናይ ሓባር መግለፂ ኣውፂኦም። ነቲ መግለፂ ዝነበቡ ብፁእ ኣቡነ ኣብርሃም ኣብዝሃብዎ ቃል እታ ቤት ክርስቲያንን ምእመናን ብዝገበርዎ ፃዕሪ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ናይ ካልእ ሽምግልናን መንጎኝነትን ናብ ሓደ መፂኢና ኢሎም። ኽልቲኦም ወገናት ኣጀንዳታት ሒዞም ከምዝቐረቡን እቶም ኣጀንዳታት ናብ ሽዱሽተ ኣጀንዳታት ብምፅማቕ ጉዳይ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ መርቆሪዮስ፣ቅድሚ ምፍልላይ ብዛዕባ ዝነበሩ ነባራት ሊቃነጳጳሳት፣ድሕሪ ምፍልላይ ዝተሾሙ፣ቀኖና ቤተ ክርስቲያን፣ውግዘትን ኣብ ወፃኢ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ከመይ ከምእትመሓደርን ዝብሉ ምዃኖም ገሊፆም።ኣብ ኣሜሪካ ብዛዕባ ዝነበሩ ብፁእ ኣቡነ መርቆሪዮስ ብዝምልከት ከምዚ በሉ። “ብዛዕባ እቶም ፓትሪያሪክ ዝምልከት ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ መርቆሪዮስ ብደርጃ ፓትሪያሪክነት ደረጃን ክብርን ናብ ሃገሮም ክምለሱ።ናብ ሃገሮም ምስተመልሱ ድማ ናይ ስራሕ ብፅሒቶም ፀሎትን ቡራኬ ምብፃሕ ክኸውን፣ኣብ ውሽጢ መንበረ ፓርቲያሪክ ገዛ ተዳሊይሎም ኩሉ ዘድልዮም ተማሊኡሎም ብኽብሪ እናባረኹን እናፀለዩን ክነብሩ ዝብል እዩ። “ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝርከቡ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ድማ ከምዚ ኢሎም። “ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ብዝምልከት ብመሰረት ሕገ-ቤተ ክርስቲያን መሰረት ንቅድስት ቤት ክርስቲያን ንክመርሑ፣ንክባርኹ፣ንኽፅልዩን ብምሉእ ሓላፍነት ክሰርሑን እዮም።ክልቲኦም ቅድሳን ፓትሪያሪካት፤ ፓትሪያሪካት ስለዝኾኑ ዘመን ክሳብ ዝስዓር ብኣፈላላይ ከይንኸይድ፤ ሃይማኖት ስለዘይምሓየሽ ንቆነና ቤት ክርስቲያን ግን ብምምሕያሽ ኣብ ዙሪያ ዓለም ኣብ ዝርከቡ ቅድስት ኣብያተ ክርስትያንን ብኽብሪ ሽሞም እናተፀውዐ ክንበሩ እዩ ተወሲኑ ዘሎ። “ቅድሚ ምፍልላይ ብዛዕባ ዝተሸሙ ጳጳሳት ብኽልቲኡ ወገናት እቲ ውግዘት ተላዒሉ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወፃኢ ከከም ድልየቶም ከገልግሉ ንክሰርሑ ተወሲኑ’ሎ።” ሓቢርና ዝፀለና እውን እቲ ውግዘት ብኽልቲኡ ወገን ስለዝተልዓለ ኢሎም ሊቀ ጳጳሳት ኣባ ኣብርሃም።ድሕሪ ሕዚ ክልተ ዝብሃል ኣይህልውን፤ኣብቂዑ’ሎ ኢሎም። “ብዘይ ጥርጥር ካብዛ ስዓት እዚኣ ጀሚሩ ናይ ውሽጢ፣ናይ ወፃኢ ዝብሃል ሲኖደስ የለን።ኣብ ዝኾነ ይኹን ዓለም ካብ ኣፅናፍ ክሳብ ኣፅናፍ ሓደ ናይ ኢትዮጵያ ኦሮቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖደስ ይህልዋ።ካልእ ካልኣይ ሳልሳይ ዝብሃል ቅጽል የለን፤እዚ ተደምዲሙን ኣብቂዑን ኣሎ።” ኣብቲ ስነስርዓት ዝተረኸቡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ እታ ቤተ ክርስቲያን ዕርቂ ምፍጣራ ከምዘሐጎሶም ብምግላፅ ቤተ ክርስቲታን ኦርቶዶክስ ዝሓበረት እንትኸውን ፀገም ኢትዮጵያን ኤርትራን እውን ክሳዕ ክንዲዚ ኣይመተናውሐን ነይሩ ኢሎም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%89%92%E1%88%8B-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%A6%E1%88%AD%E1%89%B6%E1%8B%B6%E1%8A%AD%E1%88%B3%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%89%A4%E1%89%B0%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AB\/4502825.html"} {"headline":"ኣብዚ ዓመት'ዚ ጥራይ 1500 ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ምጥሓሎም ተገሊጹ","content":"ንመበል ሓሙሻይ ዓመት ኣብዚ ዓመት ጥራይ ኣስታት 1500 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ህይወቶም ስኢኖም: እዚ ማለት ድማ ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ዝኻየድ ጉዕዞ እቲ ዝኸፍኣን ሓደገኛን ኮይኑ ነዚ ጉዕዞ ካብ ዝፍጽሙ 29 ሰባት 1 ይመወት ማለት'ዩ ክብል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ብወገኑ ኣብዚ ዓመት'ዚ ዝበዝሓ ስደተኛታት ዝተቐበለት ሃገር ስጳኛ 21,000 ስደተኛታት ምቅባላ ይገልጽ። ኣብዚ ዓመት'ዚ ጥራይ ኣስታት 55,000 ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ በጺሖም: እዚ ቁጽሪ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክወዳደር ከሎ ብፍርቂ ጎዲሉ'ዩ። ኣብ ቀረባ እዋን ብትካላት ግብረ ሰናይ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ንዝደሓኑ ስደተኛታት ከምዘይትቕበል ዘፍለጠት ኢጣልያ ኣብዚ ዓመት'ዚ ኣስታት 18,130 ስደተኛታት ዝተቀበለት ክትኸውን ከላ ዝተረፉ ድማ ግሪክ: ሳይፕረስን ማልታን ዝኣተው እዮም። ወሃቢ ቃል ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ጆወል ሚልማን ካብ ጀነቫ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል \"ክስትውዓለሉ ዝግባእ ክልተ ነገራት ኣለው። ዋላ'ዃ ቁጽሪ ናብ ኣውሮጳ ዝውሕዙ ስደተኛታት እንተጎደለ እቲ መጠን ሞት ምስቲ ቁጽሪ ስደተኛታት ክረአ ከሎ ዝለዓለ'ዩ ዘሎ\" ድሕሪ ምባል ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ዝለዓለ መጠን ሞት ዘጋጠመ ካብ 2014 ቀጺሉ ሎሚ ዓመት ምዃኑ ይገልጹ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሎሚ ሓሙስ ልዕሊ 700 ስደተኛታት ኣብ መንጎ ሞሮኮን ስጳኛን ዘሎ ናይ ኤሌትሪክ ሓጹር ሰጊሮም ኣውሮጳ ምብጻሕ ከምዝፈተኑ ይግለጽ ኣሎ። ቀይሕ መስቀል ኣስታት 592 ስደተኛታት ነቲ ሓጹር ክሰግሩ ኣብ ዝፈተንሉ 130 ጉድኣት ከምዝበጽሖም 11 ካብኣቶም ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱ ሓቢሩ'ሎ። ሰበ ስልጣን መንግስቲ ስጳኛ እቶም ስጳኛ ዝኣተው ስደተኛታት ኣብ መዕቆቢ ከምዘለው እቶም ኣብቲ ዶብ ዝተታሕዙ ድማ ናብ ሞሮኮ ዝተመለሱ ከምዘለው ገሊጾም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%9A-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%8B%9A-%E1%8C%A5%E1%88%AB%E1%8B%AD-1500-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%85%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8B%E1%8B%AD-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8A%A3%E1%8A%96%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4502647.html"} {"headline":"ኣብ ከተማታት ትግራይ ቐዳም ሰላማዊ ሰልፊ ኽካየድ’ዩ","content":"ድሕሪ ፅባሕ ቀዳም ኣብ ከተማ መቐለ ሰንበት 22 ሓምለ 2010 ዓ\/ም ድማ ኣብ ምሉእ ከተማታት ትግራይ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝካየድ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ፣ማሕበር ናይ አካል ጉዱኣት ትግራይ፣ማሕበር ነጋዶ መቐለን ማሕበር ደቂ ተጋደልትን ብሓባር ገሊፆም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%90%E1%8B%B3%E1%88%9D-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8A-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8A%BD%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%8B%A9\/4501384.html"} {"headline":"ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ግጭት ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ዜጋታት ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዝርከቡ ተገሊጹ","content":"ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝተለዓሉ ግጭታት ዝተመዛበሉ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ኣዚዩ ከቢድ ኩነታት ከምዝርከቡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኣሜሪካ ዓለምለኸ ትካል ተራድኦ\/USIAD\/ ዳይረክተር ለስሊ ሪድ ገሊፀን። ዝተመዛበሉ ሰባት ኣብዚ ናይ ዝናብ እዋን ብዘይ ዝኾነ ይኹን መፅለሊ ኣብ ሜዳ ወዲቖም ኣለው እውን ኢለን። ብሰንኪ ግጭት ንዝተመዛበሉን ብናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ንዝተጎድኡን 170 ሚሊዮን ዶላር ሓግዝ ዝተገብረ እውን እዚ ኣሰቃቒ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ምዃኑ እተን ዳይረክተር ሓቢረን። “ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ፅሕፈት ኣዋሃሃዲ ሰብኣዊ ሓገዛት ነዚ ኣብ ኣዋሳነቲ ከባቢታት ገዶንን ጉጂን ዝተፈጥሩ ግጭታትን ብሰንኪ’ዚ ዝተመዛበሉን ብዝምልከት ምስ ምንቕጥቓጥ መሬት ኣመሳሲሉዎ’ሎ።ብሰንኪ እዚ ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ሰባት ንዕለታዊ ረድኤት ተቓሊዖም ኣለው።መብዛሕትኦም ካብታ ዝተኸደኑዋ ወፃኢ ዋላ ሓደ ሒዞም ኣይወፁን።መግቢ፣መፅለሊ፣ማይ፣ናይ ንጽሕና ኣቑሑትን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ድልየቶም ዘማልእ የብሎምን።ነዚ ህፁፅ ሰብኣዊ ድልየት ኢና ሓጊዝና ዘለና።” ንሰን በተወሳኺ መንግስቲ ናብ መነባብርኦም ናይ ምምላስን ንዝሓዞ መደብ እውን ከምዝድግፋ ገሊፀን። ኣሜሪካ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት 1.6 ቢሊዮን ዶላር ከምዝሓገዘት ሓቢረን። “ቀዳማይ ሚንስትር ምስ ኢትዮጵያዊያን ኣሜሪካዊያን ኣብ ኣሜሪካ ክራኽቡ እዮም።ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ነዊሕ ዝፀንሐ ርክብ ኣለወን።ንሕና ንልዕሊ ሓምሳ ዓመታት ኣብዚ ኣለና፤ከም እንቕፅል እውን ርግፀኛታት ኢና።ኢትዮጵያ ንኣሜሪካዊያን ኣዚያ ኣገዳሲት እያ።…ብርግፅ ኣብ ጎንኹም ኮይንና ክንቕፅል ኢና።” ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍላት ኢትዮጵያ ይፍጠሩ ብዘለው ግጭታት ንዝተመዛበሉ ንምሕጋዝ ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ትካላትን መንግስታትን ህፁፅ ረድኤት የቕርባ ከምዘለዋ ይግለጽ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%90%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%8A%A6%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%A2%E1%8B%B5-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4501367.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ንምርኻብ ዋሽንግተን ዲስ ኣትዮም","content":"ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስትር ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ንምርኻብ ሎሚ ሓምስ ዋሽንግተን ዲስ ኣትዮም። ኣብዚ ፈላማይ ናይ ኣሜሪካ ጉዕዙኦም ኣብ ኣሜሪካ ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያን ብምርኻብ ናይ ለውጢ ኣጀንድኦም ከሰጉሙን ዳያስፖራ ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ክተባብዑን እዮም። ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ናይ ሰለስተ መዓልታት ፃኒሒቶም ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዳያስፖራ ክራኸቡ እዮም።ሰንበት ኣብ ሎሳንጀለስ ሶኑይን ሶሉስን ድማ ኣብ ሚኒሴታ ምስ ኢትዮጵያዊያን ኢትዮጵያዊያን ኣሜሪካዊያንን ክራኸቡ እዮም። ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ካብ ዝመጹ ናይ ል ኡኻን ቡድን ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ዶ\/ር ወርቅነህ ገበየሁን ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ አቶ ለማ መገርሳን ካል ኦት ሰበ ስልጣንን ከምዝርኸብዎም ተፈሊጡ'ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%89%B5%E1%8B%8D%E1%88%8D%E1%8B%B0-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%BB%E1%89%A5-%E1%8B%8B%E1%88%BD%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%89%B0%E1%8A%95-%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%88%9D\/4501349.html"} {"headline":"አካያዲ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሴ ሞይቶም ተረኺቦም","content":"አካያዲ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሴ ኢንጂነር ስመኘው በቀለ ሎሚ ሓሙስ ኣብ መኪነኦም ኣብ መስቀል አደባባይ ሞይቶም ከምዝተረኽቡ ንኣገልግሎት ዜና ፋና ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ። ሬሳ እቶም ኢንጂነር ንዝያዳ ምርመራ ናብ ሆስፒታል ምውሳዱ’ውን ሮይተርስ ወሲኹ ሓቢሩ። ኢንጂነር ስመኘው በቀለ ኣብ ኢትዮጵያ ዝህነጽ ዘሎ ናይ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ናይ ህዳሴ ግድብ አካያዲ ስራሕ ኮይኖም ካብ ሓምለ 2011 ከገልግሉ ዝጸንሑ እዮም። No media source currently available ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AB%E1%8B%B2-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%88%85%E1%8B%B3%E1%88%B4-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%A8%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D\/4500763.html"} {"headline":"ሚኒስትሪ ፍትሒ እስራኤል ኤርትራዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ከምዝጥርዝ ኣፍሊጡ","content":"ሚኒስተር ፍትሒ እስራኤል ኣይለት ሻካድ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ከምዝጥርዙ ኣፍሊጠን። ኤርትራ ነቲ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገግሎት ከምዘብቕዐ እንተፍሊጣ እቶም ኣብታ ሃገር ዘለው ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ከምዝምለሱ እተን ሚንስትር ፍትሒ ሓቢረን። ንሰን ነዚ ዝፍለጣ ኣብ ከተማ ቴል ኣቪቭ ዝተቓነዓ ኣኼባ ፓርቲኣን ክኸውን ከሎ መንግስቲ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መጀመርያ’ዚ ወርሒ ዝተፈረመ ስምምዕ ኣዋጅ ሓባራዊ ሰላምን ምሕዝነትን ትግባረኡን ብቐረባ ይከታተሎ ከምዘሎ ብምግላጽ እቲ ስምምዕ ንብዙሓት ኤርትራዊያን ነቲ ናይ ጊዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከብቕዕ ተኽእሎ ኣሎ ዝብል ተስፋ ከምዝሃበ ሓቢረን። “ስለዝኾነ ድማ ነዚ ስምምዕ ስዒቡ ኤርትራ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ደው እንተአቢላ እስራኤል ኣብ ሃገራ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተው’ዮም ንዝበለቶም ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክትመልሶም’ያ።” ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኣፍልጦ ዘለዎም ምንጪታት ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ኤርትራ ዋላ’ዃ ንሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ ጊዜ ገደብ ክሕልዎ እንተፈቐደት እቲ ግዱድ ሃገራዊ ኣገግሎት እንተዘይተቋሪጹ ሰላም ምፍጣሩ ንበይኑ መፍትሒ ኣይኮነን ይብሉ። ብተወሳኺ እቲ ኣብ እስራኤል ንዝርኸቡ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ብወለንትኦም ናብ ሩዋንዳ ክኸዱ ዝብል መደብ ደው ምባሉ ተገሊጹ’ሎ። ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ሩዋንዳ ካብ እስራኤል ብዘይፍቓዶም ናብ ሃገራ ዝመጹ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ከምዘይትቕበል ምፍላጣ ይዝከር። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል ነቲ ስደተኛታት 20 ሚእታዊት ካብ አታዊኦም ኣብ ባንክ’ታ ሃገር ክጸንሑ ዝእዝዝ ሕጊ ብትሪ ምንቓፉ ይግለጽ ኣሎ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ብተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝቐረበ ክሲ ኣብ ዝረአየሉ እዋን ዳኛ ኡዚ ቮልግማን ነቲ ዋጋ መነባብሮ ኣብ ግምት ብምእታው ነዚ ዓቐን ገንዘብ ኣብ ባንክ ከቐምጡ ምእዛዝ ጥቕሙ ንጹር ኣይኮነን ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%92-%E1%8A%A5%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%8A%A4%E1%88%8D-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8C%A5%E1%88%AD%E1%8B%9D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4499503.html"} {"headline":"ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቀ\/ሚ አብይ ዓረብ ኢማራት ንመራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሃብዎ ሽልማት ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም","content":"ሕቡራት ዓረብ ኢማራትስ ንፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ንዝሃብዎ ሽልማት ብዝምልከት ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር አብይ አሕመድ አቶ ፍጹም አረጋ ንድምጺ ኣሜሪካ መብርሂ ሂቦም ኣለው። “ስምምዕ ሰላም ክልቲኣን ሃገራት ንሃገራት’ቲ ከባቢ ንማእከላይ ምብራቅን ከምኡ’ውን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዎ ረብሓ ዓብይ ብምዃኑ ኣብነት’ውን ስለዝኾነ ብምኽንያት’ዚ ሕቡራት ዓረብ ኢማራትስ ንመራሕቲ ክልቲኣን ሃገራት በቲ ዝገበርዎ ኣበርክቶ ነዚ ሽልማት ምሃባ ኣብቲ እዋን ምሃብ ሽልማት ተገሊጹ’ዩ” ኢሎም። አቶ ፍጹም አረጋ ካብ ባጽዕ ቐዲሙ ወደብ ዓሰብ ስራሕ ዝጀምረሉ ኹነት’ውን ይረአ አሎ ኢሎም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/4498169.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተመዛበሉ ሰባት ንምሕጋዝ ናይ 22.2 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ተማሕጺኑ","content":"ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ብዝተፈጥረ ጎንጺ ንዝተመዛበሉ ብኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ዝውዕል ናይ ህይወት አድሕን ሓገዝ ናይ 22.2 ሚልዮን ዶላር ናይ ገንዘብ ሓገዝ ተማሕጺኑ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8C%8B%E1%8B%9D-%E1%8A%93%E1%8B%AD-22-2-%E1%88%9A%E1%88%8D%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%8B%B6%E1%88%8B%E1%88%AD-%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%88%95%E1%8C%BA%E1%8A%91\/4498118.html"} {"headline":"ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ድሕሪ 20 ዓመታት ምስ ስድራቤቱ ይጽንበር","content":"ከም መቐጸልታ’ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምዕብል ዘሎ መስርሕ ሰላም መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ 20 ዓመታት ናይ መጀመርያ በረራ ሓምለ 18 ናብ ዋና ከተማ ኤርትራ ኣስመራ አካይዳ። ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ አዲስ አለም ሓድጉ ሓደ ካብቶም 400 ተሳፈርቲ ፈላማይ በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ’ዩ ኔሩ። ንሱ “ ሕጂ እቲ ጸልማት ተቐንጢጡ ንበዓልቲ ቤተይ ብዓይነይ ክርእይ በቒዓ፡ ንደቀይ ርእየ። ወዲ ጓለይ’ውን ክርእይ በቒዓ። ከም ሎተሪ ዝበጽሓኒ እዩ ዝስመዓኒ ዘሎ” ይብል። ኣብ 1998 ኹናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ስዒቡ ኢትዮጵያ ኣስታት 70,000 ኤርትራዊያንን ትውልደ ኤርትራዊያን ካብ ኢትዮጵያ ምስጓጋ ይዝከር። No media source currently available አዲስ አለም ንሱ ኢትዮጵያዊ ብምዃኑ በዓልቲ ቤቱ በዚ ጉዳይ ትጽለው ኣይመሰሎን እንተኾነ ውጥረት ክልቲኣን ሃገራት እንዳሓየለ ምስ ኸደ በዓልቲ ቤቱ ክልተ ደቃ ሒዛ ናብ ኤርትራ ኸይዳ። አዲስ አለም ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ምድ ደቑ ኮነ ምስ በዓልቲ ቤቱ ክራኸብ ዝኽእለሉ መንገዲ ኣይነበረን። ብኸመይን ንምንታይን ናብ ኤርትራ ከምዝኸደትን ዝፈልጦ ከምዘየለ ይገልጽ። እንተኾነ ቀ\/ሚ አብይ አሕመድ ናብ መዝነት ምስ መጹን ምስ ኤርትራ ዝጸንሓ ኹነተ ኹናት ምብቕዑ ስዒቡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ 20 ዓመታት ናብ ኣስመራ በረራ ከምዘካይድ ምስ ተገልጸ ጋዜጠኛ አዲስ አለም ሓድጉ ምስ በዓልቲ ቤቱን ደቑን ዳግማይ ንምጽንባር ካብቶም ናብ ኣስመራ ዝኸዱ ቀዳሞት ገያሾ ዝኾነ፡ ስምዒት’ቲ ዳግማይ ድማ ብቃላት ክገልጾ ከምዘጸገሞ ይሕብር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A0%E1%8A%9B-%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA-20-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%B5%E1%8B%B5%E1%88%AB%E1%89%A4%E1%89%B1-%E1%8B%AD%E1%8C%BD%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%88%AD\/4498008.html"} {"headline":"ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀ\/ሚ አብይ ኣሕመድን መዳልያ ሽልማት መሪሕነት ተቐቢሎም","content":"ወራሲ ዓራት ኢማራት ዓረብ ሸክ መሓመድ ቢን ሳይድ ኣል ናህያ መዳልያ ሽልማት መሪሕነት ንፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር አብይ ኣሕመድን ሂቦም። ሸክ መሓመድ ቢን ሳይድ ኣል ናህያ ነቲ ብሽልማት ዛይድ ዝፍለጥ ናይታ ሃገር ዝዓበየ ሽልማት ንመራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሃቡ፤ ኣብ ሞንጎ መንግስታት ኤርትራ ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢማራትን ስሉሳዊ ዘተ ድሕሪ ምቅንዑ ክኸውን እንከሎ፤ ኣብቲ ኣጋጣሚ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሸኽ ከሊፋ ቢን ሳይድ ኣል ናህያ ኩሉ ጻዕርታት ሰላም ጸጥታን ምርግጋእን ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ከምእትድግፍ ኣፍሊጦም። No media source currently available እቶም ወራሲ ዓራት ብዘይካዚ: ብትዊተር ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ: \"እቲ ብመራሕቲ ክልቲኦም ሃገራት ዝተወስደ ዓብይን ታሪኻውን ምቁራጽ ኩናትን ምኽፋት ትስፍው መጻኢ ኣብ ምትሕግጋዝን ምውህሃድን- ካልኦት ሃገራት ኣብ ምፍታሕ ግጭት ክጥቀማሉ ዝኽእላ ሞደል እዩ \"ክብሉ ገሊጾም። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀት ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ብወገኖም : እቲ ብ' ሽልማት ዛይድ' ዝፍለጥ ዝዓበየ ሽልማት'ታ ሃገር ንክልቲኦም መራሕቲ ዝተዋህበ: “ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሃገራት ዝጸንሓ ኲናት ብምዝዛም ሰላም ናብቲ ዞባ ንምምጻእ እቶም መራሕቲ ብዘርኣይዎ ራእይን ትብዓትን\" ምዃኑ ሓቢሮም። ክልቲኦም መራሕቲ ብተወሳኺ ንግዳዊ ዝምድናን ወፍሪን ክልቲኣን ሃገራት ዝሕይለሉ መዳያት ከምዝዝትዩ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር አብይ አሕመድ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ብተወሳኺ ጠቒሶም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%82%E1%8A%95-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A0%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%88%98%E1%8B%B3%E1%88%8D%E1%8B%AB-%E1%88%98%E1%88%AA%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%88%B8%E1%88%8A%E1%88%9E%E1%88%9D\/4497382.html"} {"headline":"ኤርትራ፡ ኣምባሳደር ኣብ ኢትዮጵያ መዚዛ","content":"ፕረዚዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንሚንስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ከም ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ፌደራላዊት ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ኮይኑ ከገልግል ብ20 ሓምለ 2018 መዚዝዎ።ኣምባሳደር ሰመረ ርእሶም ብደረጃ ሚንስተር’ዩ ነዚ ሹመት ተመዚዙ። ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብ16 ሓምለ ብወግዒ ምኽፋቱ ዝዝከር’ዩ።ብተመሳሳሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ብ18 ሓምለ ንኣቶ ረድዋን ሑሴን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ገይራ ምሻሙ ይፍለጥ። ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ “ክልቲኤን ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ህላወን ንጥፈታትን ከሕድሳ”ዝብል ዝርከቦ ሓሙሽተ ነጥብታት ዘጠቓለለ “ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን” ብ 9ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ምኽታመን ይፍለጥ። ምምዛዝ ናይ ክልቲኤን ሃገራት ኣምባሳደራት፡ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ምድንፋዕ ዓቢ ኣበርኽቶ ከምዝህልዎ ተገሊጹ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B3%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%98%E1%8B%9A%E1%8B%9B\/4495158.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ አብይ ኣሕመድ ንፈለማ ጊዜ ምስ መራሕቲ ፖለቲካ ውድባት ተዘራሪቦም","content":"ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ትማሊ ሰንበት ተዘራሪቦም።ኣብ ገለ ከባቢታት እታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ንክረጋጋእን ሓድነት ክሰፍን ናይ ተቓወምቲ ፓርቲታት ምትሕብባር ሓቲቶም ኣለው። ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ስልጣን ካብ ዝሕዙ ፈላማይ ዝኾነ ልዝብ ምስ ተቓወምቲ ፓርቲታት ትማሊ ሰንበት ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት ቀዳማይ ሚንስተር ተኻይዱ።ኣብዚ ኣኼባ ካብ መንጎ ዝተሳተፉ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ ኣበበ ኣካሉ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐሱ ናይ ብሄር ወይ ህብረብሄር ፖለቲካዊ ውድባት መብዛሕቲኦም ተረኺቦም ኣለው ኢሎም።ብዝቐረበ ፃውዒት ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣተወ ናይ ኦሮሞ ዴሞክራሲያዊ ግንባር ኣባላት ኣመራርሓ ምስታፎም ተፈሊጡ። ኣብቲ ኣኼባ ካብ መንጎ ዝተልዓሉ ጉዳያት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝልዓሉ ግጭታትን ይስዕብ ዘሎ ምምዝባል ነበርቲን ከምዝተልዓለን ዶ\/ር ኣብይ ኣብዝሃብዎ መልሲ ባህላዊ ናይ ሽምግልና ኣካይዳ ተጠቒምካ እውን እንተኾነ ስላም ክረጋገፅ ከምዝክኣል ናይ ገለ ሃገራት ተመኩሮ ብምጥቓስ መብርሂ ምሃቦም ኣቶ ኣበበ ሓቢሮም።ሰላም ናይ ምስፋን ስራሕ ሓላፍነት መንግስቲ ጥራሕ ዘይምዃኑ ምግላጾምን እቶም መራሕቲ ተቓወምቲ ፓርቲታት ድማ ነዚ ከምዝተቐበሉዎም ሓቢሮም። መሰጋገሪ መንግስቲ ክጣየሽ ካብ ተሳተፍቲ ንዝተልዓለ ሕቶን ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ዝሃብዎ መልስን እውን ኣቶ ኣበበ ከምዚ ኢሎም። “መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት ኣለዎ ንዝብል ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ በዚ ሕዚ ዘሎ ኩነታት መሰገጋሪ መንግስቲ ይመስረት ምባል ኣፀጋሚ ምዃኑ፤ንመጻኢ ኣብዞም ሽግራት እዚኦም ተቐራሪብካ ብምስራሕ ነገራት ክመዓራርይ ከለው ግን ብሓባራዊ ልዝብን ድልየት ህዝብን ክንፍፅሞ ንኽእል ኢና” ክብሉ ምላሽ ምሃቦም ኣቶ ኣበበ ኣረዲኦም። ኣቶ ኣበበ ገና ናብ ሃገር ዘይኣተው ውድባት ስለዘለውን ፈለማ ነዛ ሃገር ኣብ ምርግጋእ ክስራሕ ኣለዎ ክብሉ ነቶም ተሳተፍቲ ከምዝገለፁሎም ወሲኾም ገሊፆም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A0%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%95%E1%8D%88%E1%88%88%E1%88%9B-%E1%8C%8A%E1%8B%9C-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/4495143.html"} {"headline":"ማሕበር ምትብባዕ ፈጠራውነት ኤርትራ ተመስሪቱ","content":"ማሕበር ምትብባዕ ፈጠራውነት ኤርትራ ቀዳም 20 ሓምለ 2018 ኣብ ኣዳራሽ ሃገራዊ ኮንፈደራሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ ኣብ ዝተገብረ ዋዕላ ብወግዒ ተመስሪቱ። ንማሕበር ምትብባዕ ፈጠራውነት ንምምስራት ብንጥፈት ካብ ዝተዋስኡን ዝሰርሑን ኣባላት ናይዛ ማሕበር ምስ ዝኾነ ኣቶ ሳሚኤል ገ\/ኣዶናይን ንጡፍ ኣባል ናይዛ ማሕበርን ምስ ዝኾነ ሰናይ ዳኒኤል ስምረትን ንኣገዳስነትን ምምስራት ናይዚ ማህበርን ንጥፈታቱን ብዝምልከት ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቅ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%89%A5%E1%89%A3%E1%8B%95-%E1%8D%88%E1%8C%A0%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AA%E1%89%B1\/4495100.html"} {"headline":"ፕረዚደንት ኢሰያስን ንጉስ ሳልማን ናይ ስዑድ ዓረብን ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ተመያይጦም","content":"ፕረ.ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሎሚ ሶኑይ ሓምለ 23 ምስ ናይ ስዑዲ ዓረብ ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚዝ ተራኺቦም ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ተመያይጦም። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብቲዊተር ካብ ዝዘርግሕዎ ሓበሬታ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዕድመ ንጉስ ሳልማን ሎሚ ንግሆ ናብ ስዑዲ ምኻዶምን ዕላማ ዑደቶም ኣብ ክልቲኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ንምትሕብባር ንምዝታይ ምዃኑ ሓቢሮም ኣለው። ንጉስ ሳልማን ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መንጎኣን ዝጸንሐን ግጭት ንኸብቅዕን ሰላም ክሰፍንን ዝወሰድኦ ስጉምታት ምምጓሶምን ዝምድና ስዑዲ ዓረብን ኤርትራን ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ናይ ጸጥታ፡ንግዲን ወፍሪን ርክብ ተወሳኺ ክሰፍሕ ድሌት ሃገሮም ምዃኑ ምግላጾም እቲ ናይ ትዊተር መልእኽቲ አቶ የማነ ገብረመስቀል ከምኡ'ውን መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ሓቢሩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%88%B0%E1%8B%AB%E1%88%B5%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8C%89%E1%88%B5-%E1%88%B3%E1%88%8D%E1%88%9B%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%8B%91%E1%8B%B5-%E1%8B%93%E1%88%A8%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8B%9E%E1%89%A3%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%AB%E1%8B%AD%E1%8C%A6%E1%88%9D\/4494794.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ አብይ አሕመድ ዝመጽእ ሓሙስ ኣብ ኣሜሪካ ዑደት ከካይዱ'ዮም","content":"\"መንደቅ ኣፍሪስና: ድልድል ክንሃንጽ ኢና\" ብዝብል ቴማ ካብ ዝመጽእ ሓሙስ ዝጅምር ዑደት ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ አብይ አሕመድ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ታሪክ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ትውልደ ኢትዮጵያዊያን አሰሮም ዘንብርሉ ጊዜ ከምዝኸውን ኣብ ኣሜሪካ ናይ ኢትዮጵያ አምባሳደር ካሳ ተኽለብርሃን ገሊጾም። እቶም ኣምባሳደር ነዚ ዝበሉ ብዛዕባ ዑደት'ቶም ቀዳማይ ሚንስተር ዝግበር ኣቀባብላን ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ'ዩ። ምሉ እ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A0%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A0%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%8A%A5-%E1%88%93%E1%88%99%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1-%E1%8B%AE%E1%88%9D\/4491765.html"} {"headline":"\"ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ የካይዱዎ ዘለው ለውጢ ብቕልጣፈ ይኹን ብትሕዝቶ ዝድነቕ እዩ\" ኣምባሳደር ኣሜሪካ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ የካይዱዎ ዘለው ለውጢ ብቕልጣፈ ይኹን ብትሕዝቶ ዝድነቕ እዩ ኢሎም ።ናይ ለውጢ ስጉምትታት ክዕወቱ ሃገሮም ብኣጋርነት ንምስራሕ ድልየት ከምዘለዋ ኣብ ኢትዮጵያ ወሃቢ ቃል ኤምባሲ ኣሜሪካ ገሊፆም። ስልጣን ኣብ ዝሓዝሉ ኣብ ሓፂር ኣዋርሕ ብርክት ዝበሉ ስጉምትታት ብምውሳዶም ኣብ ዝተፈላለዩ ደምበታት ዝተሰለፉ ኢትዮጵያዊን ከይተረፈ ኣወንታዊ ግብረ መልሲዝረኸቡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ መሓዙት ሃገራት እውን ናዕዳ ይረኽቡ ኣለው። ኣሜሪካ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ የሰጉምዎ ንዘለው ኣጀንዳታት ለውጢ ደገፍን ኣድናቖትን እናገለፀት ትርከብ። ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ጉዳያት ዴሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ብዝምልከት ትማሊ ኣብ ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተመኻኸራሉን መድረኽ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ማይክል ረይነር ናይ መጀመሪያ ንናይ 100 ማዕልታት ኣፈፃፅማ ስራሕ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ዘደንቕ፣ግልፅን ቀጥታውን መደረ ኣስሚዖም መንግስቲ እውን ሰብኣዊ መሰላት ከምዘኽብር ኣሳታፊ ዝኾነ ፖለቲካዊ ምህዳር ክፍጠር እውን ዘኽእል መሪሕነት ሂቦም ኢሎም። ቪኦኤ ዘዘራረቦም ወሃቢ ቃል እቲ እምባሲ ኒኮልሳ ባርነት እውን ነዚ ደጊሞምዎ ኣለው። \"እቶም ኣምባሳደር ከምዝበሉዎ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ የካይዱዎ ዘለው ለውጢ ብቕልጣፈ ይኹን ብትሕዝቶ ተደኒቕና ኣለና።ሎሚ ኣብ ዴሞክራሲ፣ሰብኣዊ መሰላትን ሰናይ ምሕደራን ኣብ ዝተኻየደ ሓባራዊ መድረኽ ንትልምታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምርዳእን ብከመይ ከም እንድግፎም ንምፍላጥን ድልየት ነይሩና።\" ኢትዮጵያ ኣብ ስሉጥን ሓፈሻዊ ለውጥን ምዃና ኣምባሰደር ማይክል ረይነር ኣብ ናይ ትማሊ መደርኦም ገሊፆም።ኒኮላስ ባርነት ንገሊኦም ለውጥታት ከምዚ ክብሉ ይዝርዝሩ። \"ንኹሎም ምዝርዛር ግዜ ክወስድ እዩ።መንግስታዊ ኣዘራርባ ዘሎ ለውጢ፣ሰብኣዊ መሰል ንምኽባር፣ዝበለፀ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ንምፍጣር ብዛዕባ ሓድነት ምዝርራብን ኣብ መስርሕ ፖለቲካ ዝበለፀ ተሳትፊ ንክህልው ዝተውሃበ ትኹረትን ምጥቃስ ይክኣል።ምስ ኤርትራ ሰላም ንምምፃእ ዝተገብረ ፃዕሪ እውን ይሓውስ።\" እቶም ኣምባሳደር ዝተጀመሩ ስጉምትታት ለውጢ ንምዕዋት ፈተናታት ከጋጥሙ ከምዝኽእሉ ኣሜሪካ ትኣምን፤ሓገዝ መሻርኽቲ ሃገራት ዘድሊ እውን ኣብዚ እዩ ኢሎም ። ወሃቢ ቃል ኒኮላስ ባርነት ነዚ ከብርሁ ከለው። \"ዴሞክራሲ ከቢድ ፃዕሪ ይሓትት።ቅድሚ ሎሚ እውን ኣብ ኣደባባይ ዝተዛረብናሉ እዩ።እዚ ክዕወት ፃዕሪ ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ይሓትት።ኩሉ ነናይ ባዕሉ ታራ ክፃወት ኣለዎ።ብቀዳማይሚንስተር ኣብይን ምምዳሮምንን ዝተቐመጡ ናይ ለውጢ ስጉምትታት ዝተለጠጡ እንተኾኑ እውን ክዕወቱ ዝኽእሉ እዮም።ድልውነትን ፃዕርን ግን ይደልዩ።ዕላማ ናይዚ መድረኽ ድማ ነዚኦም ንምዕዋት ኣሜሪካ ብዛዕባ እትሕግዘሉ ንምዝርራብ እዩ ነይሩ።ኣዚዩ ግልፅን ሃናፅን ምይይጥ ገይርና ኣለና።\" እዚ ክልትኣዊ ምይይጥ ዝካየድ ዘሎ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ናብ ኣሜሪካ ክጉዓዙ ትፅቢት ኣብዝግበረሉ እዋን እዩ። ዕላማ መገሻ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብ ኣሜሪካ ምስ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ንምዝርራብ ከምዝኾነ ቅድም ክብል ተገሊፁ’ሎ። እብ እዋን መገሽኦም ምስ ሰበስልጣን ኣሜሪካ ክራኸቡ እንተኾይኖም ዝተሓተቱ እቶም ወሃቢ ቃል እቲ መደብ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ እየ ዝገድፎ፤ሰናይ ዕድል ክኣ ንምነየሎም ኢሎም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8B%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B1%E1%8B%8E-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%88%88%E1%8B%8D%E1%8C%A2-%E1%89%A5%E1%89%95%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8D%88-%E1%8B%AD%E1%8A%B9%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%89%B5%E1%88%95%E1%8B%9D%E1%89%B6-%E1%8B%9D%E1%8B%B5%E1%8A%90%E1%89%95-%E1%8A%A5%E1%8B%A9-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B3%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-\/4491739.html"} {"headline":"ንኩሎም ፈጸምቲ 'ገበንን በደልን' ምሕረት ዝህብ ሓድሽ ሕጊ ኢትዮጵያ ሎሚ ጸዲቑ","content":"‘ኣብ’ቲ ሓድሽ ሕጊ ዝተዘርዘሩ ገበናት ዝፈጸሙ ውልቀ-ሰባትን ጉጅለታትትን ብሕጊ ንከይሕተቱን ናብ’ቲ ሕብረተ-ሰብ ተመሊሶም ግቡኦም ንክፍጽሙን ዕድል ክዋሃቦም’ዩ'። ብዘይካ’ዚ ብምኽንያት ዝነበሮም ፖለቲካዊ ተሳትፎ ብገበን ክንሕተት ኢና ኢሎም ሰጊኦም ኣብ ወጻኢ ተሰዲዶም ንክነብሩ ዝተገደዱ ኢትዮጵያዊያን ብምሕረት ናብ ዓዶም ንክምለሱ ባይታ ኣጣጢሑሎም ኣሎ እቲ ሕጊ። እቲ ፓርላማ ኢትዮጵያ ሎሚ ዘሕለፎ ውሳነ፣ ኣብ ሙግት ቤት ፍርዲ ዘለው፣ ተበይንዎም ዝተኣሰሩ ውልቀ-ሰባትን ጉጅለታትን ብሙልኦም ምሕረት ንክዋሃቦም ዘኽእል’ዩ። ኣካቢ ኮሚቴ ሕግን ፍትሒን’ቲ ቤት ምኽሪ ኣቶ ጴጥሮስ ወልደሰንበት ‘ኣብ መስርሕ ምጽራይ ዘለው፣ ዝተኸሰሱ፣ ተበይንዎም ዝተኣሰሩ፣ ገና ዘይተታሓዙ ውልቀ-ሰባትን ግጅለታትን፣ ዝሓለፈ ገበኖምን ጥፍኣቶምን ብወገን መንግስቲ ፈጺሙ ከምዘይተፈጸመ ዝራኣየሉ ኣገባብ’ዩ’ ኢሎም። እንተኾነ ድሕሪ 30 ግንቦት 2010 ንዝፍጸም በደላትን ገበናትን ምሕረት ንምርካብ ሓጋዚ ኣይኾንን’ዩ እቲ ናይ ሎሚ ሕጊ። ብዘይካ’ዚ ውልቀ-ሰባትን ጉጅለታትን በዚ ሕጊ’ዚ ተረባሕቲ ክኾኑ እንተደልዮም ኣብ’ዘን ዝቕጽላ 6 ኣዋርሕ ግብረ-መልሲ ክህቡሉ ከምዝግባእ ተጠቒሱ ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-amnesty-law-approved-by-parliament\/4491715.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቅ ምስ ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝ","content":"ኣብ መጀመርያ'ዚ ሰሙን'ዚ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ 20 ዓመታት ቦኽሪ በረራኣ ናብ ኣስመራ አካይዳ። ኣብታ ቀዳመይቲ ነፋርቲ ተሳፈርቲ ካብ ዝኾኑ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ነበር አቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ሓደ እዮም። ንሶም ብዛዕባ ናይ ኤርትራ ዑደቶም ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቅ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%85-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%88%83%E1%8B%AD%E1%88%88%E1%88%9B%E1%88%AD%E1%8B%AB%E1%88%9D-%E1%8B%B0%E1%88%B3%E1%88%88%E1%8A%9D-\/4491686.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ኣብ ቀረባ ንዝተፈትሑ ናይ ፖለቲካ እሱራት ምሕረት ሂባ","content":"ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ንዝተፈትሑ ናይ ፖለቲካ እሱራት ምሕረት ዝህብ ሕጊ ኣሕሊፋ: ብተወሳኺ ንዝሓለፈ 10 ዓመታት ዝጸንሓ ንጸጥታ ዝምልከት ሕጊ'ውን ለዊጣቶ አላ። ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ናብ መዝነት ካብ ዝመጽሉ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ዓበይቲ ናይ ፖለቲካን ቁጠባን ለውጢ ምክያዶም ይፍለጥ፤ እዚ ድማ አካል እቲ ለውጢ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኣብ መላእ'ታ ሃገር ብዝተላዕለ ተቓውሞ ብዝተሓሓዝ ኣስታት 30,000 ሰባት ብክሲ ግብረ ሽበራ ኣብ ማእሰርቲ ምጽንሖም ይፍለጥ። እቶም እሱራት መራሕቲ ተቓውሞ: ፖለቲከኛታት :ተማሃሮ: ጋዜጠኛታትን ጸሓፍቲ ዓምዲ ኢንተርነት ዝርከብዎም'ዮም። መብዛሕትኦም ዝኻየዱ ዝነበሩ ተቓውሞታት ንቁጠባዊ ዘይምዕሩይነት: ማዕርነት ዘይምህላውን ጭቆናን ዝብሉ ጉዳያት ዘልዕሉ ምንባሮም ይዝከር። እዚ ናይ ምሕረት ሕጊ ኣብ ትሕቲ ምርመራ ዝጸንሑ ኾነ ክሲ ተመስሪትዎም: ተፈሪዶም ንዝነበሩ ውልቀሰባትን ጉጅለታት ዝምልከት'ዩ ክብላ መሓውራት ዜና ውሽጢ ሃገር ሓቢረን ኣለዋ። ኣቐዲሙ ፓርላማ'ታ ሃገር ከም ኦነግን ግንቦት 7 ዝአመሰሉ ብክስታት ግብረሽበራ ተኸሲሶም ዝነበሩ ጉጅለታት ክስታቶም ምልዓሉ ይፍለጥ። ኣብ ኒው ዮርክ ዝመደበሩ ሁማን ራይትስ ዎች ብተወሳኺ ቀ\/ሚ አብይ አሕመድ ኣብ ልዕሊ እሱራት ዝተፈጸመ ስቅያትን ኣብ እዋን ተቓውሞ ዝተቐትሉ ንምጽራይ ምርመራ ከካይዱን ሕጊ ግብረ ሽበራ ክልዕሎ ክጽውዕ ጸኒሑ'ዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%80%E1%88%A8%E1%89%A3-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%89%B5%E1%88%91-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB-%E1%8A%A5%E1%88%B1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%88%82%E1%89%A3\/4491174.html"} {"headline":"ኣሜሪካ ንፍጻመታት 100 መዓልታት ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ አብይ አሕመድ ንኢዳ","content":"ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ረይነር፡ እቶም ቀዳማይ ሚንስተር ዝድነቅን ንጹርን መደረታት ጌሮም ጠቃሚ ስጉምትታት’ውን ወሲዶም ኢሎም ኣለው። ኣብዚ ዝሓለፈ ፍርቂ ወርሒ መጋቢት ኣብ ፓርላማ ቃለ መሓላ ብምፍጻም ንኢትዮጵያ ንምምራሕ ሓላፍነት ዝተረኽቡ ቀዳማይ ሚንስተር ዶ\/ር አብይ አሕመድ ኣብዚ ሓላፍነቶም 100 መዓልታት ዝመልኡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ዩ። ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ረይነር ናይ ሃገሮም ገምጋም ኣቐሚጦም ኣለው። ኣምባሳደር ረይነር ብዛዕባ ፋጻመታት 100 መዓልታት መዝነት ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ዝተዛረቡኣሜሪካን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራሲን ብስሩዕ ዝመካከርሉ መድረኽ ሎሚ ኣብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን እዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣዝብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%95%E1%8D%8D%E1%8C%BB%E1%88%98%E1%89%B3%E1%89%B5-100-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A0%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A0%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%95%E1%8A%A2%E1%8B%B3\/4489843.html"} {"headline":"ጅቡቲ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ጸገም ሰላማዊ ፍታሕ ትሓትት","content":" ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%85%E1%89%A1%E1%89%B2-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8B-%E1%8C%B8%E1%8C%88%E1%88%9D-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8A-%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%88%95-%E1%89%B5%E1%88%93%E1%89%B5%E1%89%B5\/4489574.html"} {"headline":"ብሰንኪ ግጭት ካብ መነባብሮም ተመዛቢሎም ኣብ ቢሾፍቱ ካብ ዝተጣየሱ 9 መንእሰያት ምእሳሮም ተሓቢሩ","content":"ኣብ ተዳወብቲ ክልላት ኦሮሚያን ሶማልያን ብሰንኪ ዘጋጠመ ግጭት ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ይጣየሱ ካብ መንጎ ዝነበሩ መናእሰይ ትሽዓተ ከምዝተኣሰሩ ዝበፅሐናይ ዜና ገሊፁ። ሓደ ሽሕ መራሕቲ ስድራ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ሓገዝ ይግበረሎም ኣሎ።ካብዚኦም ብተወሳኺ ኣስታት 500 ዝተመዛበሉ መናእሰይ ሓፀርቲ ስልጠናታት ተዋሂቡዎም ኣብታ ከተማን ኣብ ከባቢኡን ኣብ ዝርከባ ፋብሪካታት ክሰርሑ ተመዲቦም ኣለው። ካብቶም ተፈናቐልቲ መንእሰያት ሓደ ፈይሳ ቱፋ፡ እቶም መናእሰይ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኪራይ ገዛ ክወሃቦም ብሰበስልጣን መንግስቲ ናይቲ ክልል ዝተውሃቦም ቃል ከይተፈፀመ ብምትራፉ ንፀገማት ንቃላዕ ኣለና ይብሉ።እዚኦምን ካልኦት ፀገማትን ናብ ቤት ፅሕፈት ናይቲ ምምምሕዳር ንምጥራዕ ኣብ ዝኸድሉ እዋን ካልኦት ሰራሕተኛታት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ የካይዱ ከምዝነበሩን ንጥርዓን ዝኸዱ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮን ሽዱሽተ ደቂ ተባዕትዕዮን ተመዛበልቲ መናእሰይ ኣብ ቤት ፅሕፈት እቲ ከንቲባ ተኣሲሮም፡ ሎሚ’ውን ኣይተፈትሑን ይብል ። ንሱ ብተወሳኺ በተንቲ ኣድማ ፖሊሳት ነቶም ተሰለፍቲ እናቐጥቐጡ ክብትኑዎም ከለው ናይቲ ሰልፊ ተሳተፍቲ መሲሎምዎም እቶም ፖሊሳት ነቶም መናእሰይ ኣስሮምዎም ኢሉ።ምምሕዳር ከተማ ቢሾፍቱ ነቲ ማእሰርቲ ኣየረጋገፀን፤ኣፃሪየን ምላሽ ከምዝህባ ግን ወሃቢት ቃል ናይቲ ምምሕዳር ወ\/ሮ ድርቤ ግርማ ገሊፀን ኣለዋ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%90%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A2%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%A2%E1%88%BE%E1%8D%8D%E1%89%B1-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%A3%E1%8B%A8%E1%88%B1-9-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%88%B3%E1%88%AE%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/4488249.html"} {"headline":"ሰማያዊ ፓርቲ ናይ ኢትዮጵያ ባንዴራ ናብ ናይ ቀደም መልክዑ ንኽምለስ ፃውዒት ኣቕሪቡ","content":"ናይ ኢትዮጵያ ተቓዋሚ ፓርቲ ሰማያዊ ፓርቲ ናይ ኢትዮጵያ ባንዴራ ናብ ናይ ቀደም መልክዑ ንኽምለስ ፃውዒት ኣቕሪቡ።ህዝቢ ብሰፊሑ ብምስታፍ መዓልቦ ክግበረሉ ድልየት ናይቲ ፓርቲ ምዃኑ ገሊፁ’ ሰማያዊ ፓርቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ‘’ባንዴራ ኢትዮጵያ መለለይ መንነት ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝኾነ ምልክት ዘይብሉ ካብ ላዕሊ ሓምላይ፣ኣብ ማእኸል ቢጫ ኣብ ታሕቲ ድማ ቀይሕ ከም ናይ ቀደሙ ኮይኑ ክቕፅል ብትሪ ይሓትት’’ ይብል። መንግስቲ ብዝኸደን ብዝመፀን ቁፅሪ ባንዴራ ክቀያየር የብሉን ዝበለ ሰማያዊ ፓርቲ እቲ ባንዴራ ናብ ናይ ቀደም መልክዑ ክቕየር ህዝቢ ብነፃን ብዕምቆትን ክመኽረሉ ሓቲቱ።ምኽትል ኣቦ ወንበር ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ ጌታነህ ባልቻ ብዛዕባ’ዚ ከምዚ ኢሎም። “በብእዋኑ ዝቀያየር ፌደራላዊ ስርዓት፣ምምሕዳርን ካልኦትን ክህልው ይኽእል።ሰማያዊ ፓርቲ ግን በብእዋኑ ምስ ዝመፅእ ስርዓት ዝለዋወጥ ባንዴራን ሃገራዊ መዝሙርን ክህልው የብሉን ኢሉ ይኣምን።ኣብ ሃገር ክንተኽሎ ዘለና ነባሪ ነገር ክህልወና ይግባእ።” ህዝብን ፖለቲካዊ ውድባትን ኣብዝተፈላለዩ ፖሊስታትን ፕሮግራማትን እናተኻትዑ ዝቐያይሩዎም ጉዳያት ክህልው ይኽእሉ፤መሰረታዊ ናይ ሃገር ዓንድታት ግን ነበርቲ ክኾኑ ኣለዎም ይብል። ባንዴራን ካልኦት ፍልልይ ዝርኣየሎም ሃገራዊ ሕቶታትን ልዝብ ተኻይዱ ኣብ መወዳእታ ህዝቢ ክውስን መርገፂ ውድቦም ምዃኑ ኣቶ ጌታነህ ገሊፆም።ህዝባዊ ስርዓት ክምስረት ከሎ ብዘየዳግም ክምለሱ ዘለዎም ካልኦት ጉዳያት እውን ኣለው፤ዝፍትሐሉ ኣገባብ እውን ከምዚ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም። “እዚ ብኣግባብ ክንፈትሖ ንኽእል ቀዳማይ ናይቲ ህዝቢ ሕቶ እንታይ እዩ ንዝብል ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ህዝበ ውሳነ ክንህበሉ ከለና እዩ።እቲ ህዝቢ ረፈረንድም ብምክያድ ንዓይ ዝጠቕመኒ ዝብሎ ክነቐምጥ ኣለና።” እቲ ፓርቲ ነዚ ሕቶ ዘልዓለሉ ምኽንያት ክገልፅ ከሎ ንቀዳማይ ሚንስትር ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ንምድጋፍ ኣብዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብዝተኻየዱ ናይ ድጋፍ ሰልፍታት ህዝቢ ሒዙዎ ዝወፀ ናይ ቀደም ባንዴራ ብምዃኑን ሰፊሕ ደገፍ ህዝቢ ዘለዎ ብምዃኑ እዩ ይብል። ብኣንፃሩ እዚ ኣካይዳ ንሕገ መንግስቲ ዝቃወም ተግባር እዩ፤ናይ ቀደም ባንዴራ ንምሉእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘንፀባርቕ ኣይኮነን ዝብሉ እውን ኣለው።ዘየተሓታትት ጉዳይ ግን እቲ ጉዳይ ሕገ መንግስታዊ ክትዕ ዘልዓለ ምዃኑ እዩ።ብመሰረት ኣብ ስራሕ ዘሎ ሕገ መንግስቲ እቲ ሕብሪ ከምዘሎ ኮይኑ ኣብ ማእኸሉ ሃገራዊ ኣርማ ኣለዎ ይብል። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%9B%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A3%E1%8A%95%E1%8B%B4%E1%88%AB-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%80%E1%8B%B0%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%AD%E1%8B%91-%E1%8A%95%E1%8A%BD%E1%88%9D%E1%88%88%E1%88%B5-%E1%8D%83%E1%8B%8D%E1%8B%92%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%95%E1%88%AA%E1%89%A1\/4488237.html"} {"headline":"መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ስሩዕ በረራ ናብ ኣስመራ ጀሚሩ","content":"ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ 20 ዓመት ሎሚ ሓምለ 18 ቦኽሪ በረራ ናብ ኣስመራ ኣካይዳ። እተን ክልተ ነፈርቲ ኣብቲ ናይ ቦኽሪ በረረኣን ንቐዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝን ካልኦት 456 ገያሾን ሒዘን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወትሉ ልዑል ኣቀባብላ ተገይሩላ። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዳግማይ ምፍላም ስሩዕ በረራ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ: ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝን ምስታ ነፋሪት ዝበጽሑ ገያሾን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ተረኺቡ ከምዝተቐበሎም: ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዝለኣኾ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ​ምሉእ ጸብጻብ ዳግማ ምጅማር በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%A8%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%B5%E1%88%A9%E1%8B%95-%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%88%AB-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9\/4487721.html"} {"headline":"ፈላማይ በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ተፈጺሙ","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ ደሳለኝ ሃይለማርያምን ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም 456 ገያሾ ዝጸዓነት ናይ ፈለማ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ተበጊሳ። በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝሓለፈ ቕንያት ንምኽፋት ኣገልግሎታት መጎዓዝያን መራኸቢታትን ዝርከቦ በዓል ሓሙሽተ ነጥቢ ውሳን ብፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ቀዳማያ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድን ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣዋጅ ድሕሪ ምፍርራሞም ዝመጸ ትግባረ ስምምዕ እዩ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ትገብሮ ዘላ በረራ ድሕሪ ዓመታት እዚ ናይ ፈለማ ምዃኑዩ ብተወሳኺ ተገሊጹ። እቲ ጠለብ ተሳፈርቲ ኣዝዩ ብምብዝሑ ካልአይቲ ነፋሪት ድሕሪ 1 ሰዓትን 15 ደቒቕ ምብጋስ እታ ቀዳመይ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከምእትነቅል ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ብተወሳኺ ሓቢሩ ኣሎ። ምስዚ ብዝተኣሳሰረ፤ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 20 ሚእታዊት ብጽሒት መንገዲ ኣየር ኤርትራ ከምዝገዝአውን ተገሊጹ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%88%AB-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%A8%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%A5%E1%8B%88%E1%8C%8D%E1%8B%92-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%91-%E1%8D%88%E1%88%8A%E1%88%99-\/4487580.html"} {"headline":"ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሓ ስምምዕ ክትግበር ምጅማሩ ተገሊጹ","content":"ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኣስመራ ኣብዝበፅሕሉ እዋን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ብዝቐልጠፈ ክትግበር ጀሚሩ’ሎ ክብሉ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ኣለምኣፍሊጦም። እቲ ስምምዕ ኣዚዩ ብዝቐልጠፈ ኣገባብ ግብራዊ ክኸውን ናብ ባይታ ናይ ምውራድ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ዝገለፁ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣቶ መለስ ኣለም መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ፅባሕ ረቡዕ ፈላማይ በረራ ናብ ኣስመራ ክጉዓዝ እዩ ኢሎም።ሰበስልጣን መንግስቲ፣ሰብ ሃፍቲ፣ፍሉጣት ውልቀሰባት፣ንነዊሕ እዋን ካብ ስድርኦምን ፈተውቶምን ተፈላልዮም ዝፀንሑ ኤርትራዊያን ኣሕዋትና ኣሓትናን ሓዊሱ ኣስታት 465 ሰባት ናብ ኣስመራ ክጉዓዙ እዮም ኢሎም። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ናይ ትኬት መሸጢ ቤት ፅሕፈት ብምኽፋት ስራሕ ከምዝጀመረ እውን ገሊፆም። ወደብ ዓሰብ ኣብ ጥቕሚ ንምውዓል ብወገን ኤርትራ ይኹን ኢትዮጵያ ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረን ብወገን ኢትዮጵያ በዓል ስልጣን ኣገልግሎት ማሪታይም፣በዓልስልጣን መርከብ፣ ሚንስትሪ መጎዓዚያን ካልኦት ዝምልከቶም ዘፈራትን ኣብያተ ፅሕፈትን ሓደ ግብሪ ሓይሊ ኣጣይሾም ኣገልግሎት ወደብ ንምጅማር ዘኽእል ቅድመ ስርሓት ብናህሪ ጀሚሮም ኣለው ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8E-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A0%E1%8C%BD%E1%88%93-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%8C%85%E1%88%9B%E1%88%A9-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4486694.html"} {"headline":"ፕረ. ትራምፕ ንምትእትታው ሩስያ ብዝምልከት ንፕረ. ፑቲን ዘይምኹናኖም ተገሊጹ","content":"ናይ ኣሜሪካ ፕረዚዳንት ትራምፕ ምስ ናይ ሩሲያ ፕረዚዳን ቭላድሚር ፑትን ኣብ ሀልሲንኪ ኣብዝተራኸብሉ እዋን ምትእትታው ሩሲያ ኣብ ናይ ምርጫ ኣሜሪካ ብዝምልከት ኣልዒሎም ነዊሕ ግዜ ከምዝተዘራረቡ ገሊፆም።ይኹን እምበር ንናይ ሩሲያ መዘንኦም ኣብቲ ጉዳይ ብቐጥታ ኣይንቐፉዎምን። ክልቲኦም መራሕቲ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መግለፂ ፕረ. ትራምፕ ‘’ኣብቲ ናይ ሎሚ ልዝብና ሩሲያ ኣብ ምርጫና ጣልቃ ምእታዋ ብዝምልከት ኣልዒለዮ እየ።እቲ መልእኽቲ ብዝግባእ ተመሓላሊፉ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ’’ኢሎም ። ምስ ፕረ.ፑቲን ዘካየድዎ ልዝብ ብፅቡቕ ከምዝተኻየደ እውን ሓቢሮም።ፑቲን ብወገኖም እቲ ልዝብ ግልፅነት ዝነበሮ ዕዉት ነይሩ ኢሎምዎም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%88%9D%E1%8D%95-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8A%A5%E1%89%B5%E1%89%B3%E1%8B%8D-%E1%88%A9%E1%88%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8D%91%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%9D%E1%8A%B9%E1%8A%93%E1%8A%96%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4485084.html"} {"headline":"መስመር ቴሌፎን ካብን ናብን ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ጀመረ ምስ ስድራ ቤቶም ዝተራኸቡ ስድራቤት ዝሃብዎ ርእይቶ","content":"ቀዳማይ ሚንስተር አብይ አሕመድ ኣስመራ በጺሖም ኹናት ኤርትራን ኢትዮጵያ ብኣዋጅ ሓባራዊ ሰላምን ምሕዝነትን ምብቕዑ ምስተፈረመ፡ መስመር ቴሌፎን ካብን ናብን ኤርትራን ኢትዮጵያን ጀሚሩ። ሄኖክ ኣስገዶም ኹናት ኢትዮ-ኤርትራ ምስ ተጀመረ ናብ ኤርትራ ዝተሰጎገ ቕድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ድማ ናብ ኢትዮጵያ ዝተመለሰ ኤርትራዊ’ዩ።ሄኖክ ኣብ ኤርትራ ዝገፈዶም ስድራ ቤቱ ንመጀመርያ ጊዜ ብቐጥታ ደዊሉ ረኺብዎም። ብዛዕባ’ቲ ዝተሰምዖ ድማ ከምዚ ኢሉ። No media source currently available “ ኣብ ዝሓለፈ ቅሩብ መዓልታት ዝተሰመዓኒ ሓጎስ ከገልጽ ቃላት ይሓጽረኒ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ህዝቢ ኤርትራ ንቀ\/ሚ አብይ ኣብ አስመራ ብኸመይ ከምተቐበሎ ርእዮም’ዮም። ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሰላም ንነብር ህዝቢ ኢና። ሕጂ ድማ ኹሉ ሰብ ካብ ሰላም እንታይ ክኽሰብ ከምዝኸአል ይርእይ ኣሎ። ኹናት ሕይወት ሰብ የጥፍእ፡ ንብረት የውድም ብዙሓት ድማ በዚ ኹናት ተሳቕዮም’ዮም።” በዓልቲ ቤት ሄኖክ አድያም ገብረስላሴ ቅድሚ ክልተ ዓመታት’ያ ናብ ኢትዮጵያ ከይዳ ንሳ’ውን ወለዳ ውላዳ ክርእዩ ዘለዋ ድልየት ትገልጽ። ሄኖክ ብዛዕባ አዲኡ ከይረአየታ ብሞት ዝተፈልየቶ ሓፍቱ ከምዚ ይብል። “ ሞትን ሕማምን ካብ ኣምላኽ’ዩ። ሓፍተይ ን14 ዓመታት ካብ ስድራና ተፈልያ ጸኒሓ፡ ኣብ ሕቑፈይ’ያ ሞይታ። አደይ ከይረአኹ ክመውት’የ እንዳበለት ሓሊፋ። እዚ ድማ ውጽኢት ናይቲ ኹናት’ዩ። ብርግጽ አደይ ብሱዳን አቢላ ዳሕራይ መጺኣ ግን ንሓፍተይ ብህይወት ክትረኽባ ኣይኸአለትን። ዓይና ከይረአኹ ሞይታ ኢላ ድማ ትጉህይ” ይብል። ሄኖክ ምስ ምጅማር በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ናብ ኣስመራ ንምኻድ ዘለዎ ተስፋ ይገልጽ። ፕረዚደንት ኢሳያስ’ውን ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደት ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምኽያድ ሎሚ ሶኑይ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣለው። ርእይቶ እዞም ሰባት ቕድሚ ምብጻሕ ፕረ. ኢሳያስ ናብ ኢትዮጵያ ዝተወስደ ምዃኑ ክንሕብር ንፈትው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AD-%E1%89%B4%E1%88%8C%E1%8D%8E%E1%8A%95-%E1%8A%AB%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8C%80%E1%88%98%E1%88%A8-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%B5%E1%8B%B5%E1%88%AB-%E1%89%A4%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%B8%E1%89%A1-%E1%88%B5%E1%8B%B5%E1%88%AB%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%83%E1%89%A5%E1%8B%8E-%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6\/4484972.html"} {"headline":"ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ሎሚ ብወግዒ ተኸፊቱ","content":"ን20 ዓመታት ተዓጽዩ ዝጸንሓ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ሎሚ ሶኑይ ንግሆ ኣብ አዲስ አበባ ብወግዒ ተኸፊቱ። ስነ ስርዓት ምኽፋት እቲ ኤምባሲ መራሕቲ ክልቲኦም ሃገራት ኣብ ዝተረኽብሉ ተኻይዱ’ሎ። ብፕረዚደንት ኢሳያስ ዝምራሕ ልኡኽ ድማ ነቲ ኤምባሲ ብወግዒ ከፊትዎ ኣሎ። ኣብቲ ስነ ስርዓት ምክፋት’ቲ ኤምባሲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ንባንዴራ ኤርትራ ኣብ ዘንጊ ዝሰቐሉ ኽኮኑ ከለው መፍትሕ ድማ ካብ ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ተቐቢሎም። ድሕሪ ስነ ስርዓት ምክፋት’ቲ ኤምባሲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ዝምራሕ ልኡኽ ናብ ኣስመራ ምምርሑን ኣብ ሰዓታት ፍርቂ መዓልቲ ብኣቆጻጽራ ኤርትራ ድማ ኣስመራ መዓርፎ ነፈርቲ ምእታዎም ሚንስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ገሊጾም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%89%A5%E1%8B%88%E1%8C%8D%E1%8B%92-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%8D%8A%E1%89%B1\/4484472.html"} {"headline":"ኤምባሲ ኤርትራ ጽባሕ ሶኑይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኽፈት`ዩ","content":"ከም መቐጸልታ ናይ`ቲ ብናህሪ ዝሕንበብ ዘሎ ጉዕዞ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ን20 ዓመታት ተዓጺዩ ዝጸንሐ ኤምባሲ ኤርትራ ጽባሕ ሰኑይ ከምዝኽፈት ሰበ-ስልጣን ክልቲኣን ሃገራት ኣተንቢሆም ኣለዉ። እቲ ኣብ ከባቢ ስታድየም ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ህንጻ ኤምባሲ ኤርትራ፡ ክሕደስን ክተዓራረይን ከምዝቐነየ፡ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ኣርኣያ ንድምጺ ሓቢሩ`ሎ። እዚ ምኽፋት ኤምባሲ፡ ድሕሪ ምኽፋት መስመራት ተሌፎንን መንገዲ ኣየርን ሳልሳይ ግብራዊ ስጉምቲ`ዩ። ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ መኣስ ከምዝኽፈት ዛጊድ ዝተገልጸ ነገር የለን። ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደቶም ዛዚሞም ጽባሕ ሶኑይ ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ቅድሚ ምምላሶም ነቲ ኤምባሲ ኤርትራ መሪቖም ክኸፍትዎ`ዮም ዝብል ግምት ኣሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8C%BD%E1%89%A3%E1%88%95-%E1%88%B6%E1%8A%91%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%AD%E1%8A%BD%E1%8D%88%E1%89%B5-%E1%8B%A9\/4483716.html"} {"headline":"“ናትና ምድማር ንኻልኦት ተስፋ`ምበር ጭንቀት ክኸውን የብሉን” ቀ\/ሚ አብይ አሕመድ","content":"ኣብ አዲስ አበባ ሚለንየም አዳራሽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ፍሉይ ምድላው መደረ ዘስምዑ ቀ\/ሚ አብይ አሕመድ ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ነዚ መዓልቲ ክውን ኽከውን ዝገበርዎ ጻዕሪ ኣመስጊኖም። ቀጺሎም “ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ-ፍቕሪ ልዕሊ ኩሉ`ያ:ካብ ኢሳያስ ዘይከሰብናዮ የለን-ኣኻኺቡና`ሎ” ድሕሪ ምባል ኣብቲ ስነ ስርዓት ንዝተረኽቡ ኣብ መሪሕነት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ብኣስማቶም ጸዊዖም ኣመስጊኖም። ቀ\/ሚ አብይ ንዋጋ ሰላምን ናጽነትን ብዝምልከት “ኢሱ ንሰላምን ናጽነትን ምስ ጥዕና የመሳስሎ” ካብ ሰላምን ናጽነትን ወጻኢ ብልጽግና የለን ድሕሪ ምባል ነጻነት ናይ ብልጽግና አደ እያ ኢሎም። “ሃገር ከም ሰብ`ያ ከምዝኾናዮ እያ ትኸውን- እንተተኸባቢርና ትኸብር ትብልጽግ” “ካብ ሚእቲ ሚልዮን ክፉእ ዝሓስብ የለን ማለት ዘይኮነስ ነቲ ክፉእ ሓሳቡ ክሳብ ዘይተኻፈልና መኺኑ`ዩ ዝተርፍ። ናይ ምድማር ምስጢር ፍቕርን ይቕረታን እዩ\" ዝበሉ ቀ\/ሚ አብይ አሕመድ “ንክፍኣት፡ ንምቕታል ኣይንደመር” ኢሎም። “ናትና ምድማር ንኻልኦት ተስፋ`ምበር ጭንቀት ክኸውን የብሉን” ቀ\/ሚ አብይ አሕመድ ነቲ ‘ ምድማር’ ዝብል ስነ ሓሳብ ምስ ናይ ሒሳብ ስነ ሓሳብ ብምዝማድ ናይ ምድማር ስራሕ ጽልኢ ምፍራስ `ዩ፡ ኣነን ኢሳያስን ክንድመር ከለና ንሕና ኮይና ንባዛሕ ኢሎም። ናይ ምድማር መእሰሪ ይቕረታ፡ ምህረት፡ ፍቕሪ`ዩ ኢሎም። “ንከፋሎ ድማ ዓሰብ እዩ” ንመጀመርያ ጊዜ ብኣምሓርኛ መደረ ዘስምዑ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝተላእኸ ናይ ስላምን ሰናይ ትምኒትን መልእኽቲ ከብጽሑ ከለው ንዝስምዖም ሓጎስ ድሕሪ ምግላጽ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ነዚ መስርሕ ሰላም ዘካየዶ ጻዕርን ዝኽተሎ ዘሎ ኣንፈትን ንኢዶምን ኣመስጊኖምን። \"ጽልኢን ቂልምን ንምዝርጋሕ ዝተፈነ ሽርሒ ስዒርና ንልምዓትን ብልጽግናን ሓቢርና ንምስጓም ወሲና ኣለና።\" ፕረዚደንት ኢሳያስ ብተወሳኺ ማንም ነዚ ስምምዕን ፍቕሪን ክብትን ነዚ ልምዓትን ዕብየትን ክዕንቅፍ ኣይከነፍቕደሉን ኢሎም። \"ብናይ ሓባር ጻዕሪ ዝኸሰርናዮ ኣምሊስና ንመጻኢ ዓበይቲ ጉዳያት ሰሪሕና ከምንዕወት ድማ ርግጸኛታት ኢና።\" ኣብ መወዳእታ ፕረዚደንት ኢሳያስ ንቀዳማይ ሚንስተርን መሪሕነቱን ዘለዎም ድጋፍን ሰናይ ትምኒትን ገሊጾም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%89%B5%E1%8A%93-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%9B%E1%88%AD-%E1%8A%95%E1%8A%BB%E1%88%8D%E1%8A%A6%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%88%B5%E1%8D%8B-%E1%88%9D%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8C%AD%E1%8A%95%E1%89%80%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8A%B8%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8B%A8%E1%89%A5%E1%88%89%E1%8A%95-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A0%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A0%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5\/4483614.html"} {"headline":"ዴምህት ብረታዊ ቓልሲ ደው ምባሉ ገሊጹ","content":"ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ\/ዴምህት\/ ድሕሪ ናይ 17 ዓመታት ዕጥቓዊ ቓልሲ ደው ምባሉ ንመግለፂ ማእኸላይ ኮሚቴ ናይቲ ውድብ ብምጥቓስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፐሬት ፀብፂባ። ኣብ ኢትዮጵያ ተኣዊጁ ዝነበረ ህፁፅ ኣዋጅ ምልዓሉ፣ፖለቲካዊ እሱራት ይፍትሑ ምህላዎምን ዴሞክራሲያዊ ሃዋህው እናሰፍሐ ምምጽኡን ን20 ዓመታት መዕልቦ ከይረኸበ ዝፀንሐ ጉዳይ ኢትዮጵያን ኤርትራን መዕለቢ ዝርከበሉ ዕድል ምፍጣሩ መግለፂ ናይቲ ውድብ ሓቢሩ’ሎ። ኣባላቱ ካብዝኾነ ይኹን ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ክዕቀቡ እውን ደምህት ፀዊዑ’ሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ዘሎ ለውጢ ብዴሞክራሲያዊ ኣገባብ ሰላማዊ ቓልሲ ንምክያድ ዘኽእል ከምዝኾነ ብዘለዎ እምነት ዕጥቓዊ ቓልሲ ጠጠው ምባሉ ገሊፁ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/the-eritrea-based-tigray-peoples-democratic-movment-laydown-arm-struggles\/4482806.html"} {"headline":"ብፕረዚዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ልኡኽ ሃዋሳ ኣትዩ","content":"ብቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዕድመ ዝተገብረሎም ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ሎሚ ቀዳም ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም፤ ድሕሪ ዝተገብረሎም ናይ ምሳሕ እንግዶት ድማ ናብ ዋና ከተማ ደቡብ ክልል ዝኾነት ከተማ ኣዋሳ በጺሖም። ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ብቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ኣሎ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድን ከምኡ እውን ላዕለዎት ሰበስልጣን ክልቲአን ሃገራት ሎሚ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ኣብዝኣተውሉ እዋን ብብዙሕ ሽሕ ዝቑጸር ህዝቢ ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሩሎም።ንናይ ሃዋሳ ኢንዱትሪያዊ ፓርክ ከምዝተዓዘቡ'ውን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ኣቶ ፍፁም ኣረጋ ኣብ ናይ ትዊተር ገፆም ሓቢሮም። ልኡኽ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሓያሎ ሚንስትራት ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ዝሓቖፈ ምዃኑ ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽቶም ገሊፆም። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተውሉ ኣቀባብላ ካብ መንጎ ዝገበሩሎም ምኽትል ዋና ኣማሓዳሪ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣቦ ወንበር ህውሓትን ዝኾኑ ዶ\/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ክኾኑ ከለው: ኣማሓዳሪ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ኣቶ ለማ መገርሳ ንፕረዚደንት ኢሳያስ ብናይ ኦሮሞ ባህሊ ዝለዓለ ክብርን ትርጉምን ዘለዎ ፈረስን ዋልታን ብህያብ አበርኪቶምሎም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/eritrean-presidnet-in-awassa\/4482739.html"} {"headline":"አዲስ አበባ: ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገሩሎም","content":"ናይ ኤርትራ ፕረዚዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ብቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም። ኣብቲ ቦታ ዝተረኽበ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ፕረዝዳንት ኢሳያስ ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ ክበፅሑ ከለው ካብ ሰበስልጣን መንግስቲ ብተወሳኺ መራሕቲ ሃይማኖት፣ኪነ ጥበባዊያን ፍሉጣት ሰባትን ተቐቢሎምዎም ኣለው። ብዙሕ ልሙድ ብዘይኮነ ኣገባብ ንክብሪ ፕረዚዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ መድፍዕ ከምዝተተኾሰ ሓቢሩ ይብል።ካብ መዕረፎ ነፈርቲ ወፂኦም ናብ ቤት መንግስቲ ኣብ ዘምርሕሉ እዋን ንዕኦም ክቕበል ዝወፀ ብዙሕ ህዝቢ ፈቐዶ መንገዲ ድምፁ ዓው ኣቢሉ ተቐቢሉዎም ክብል ሓቢሩ'ሎ። ሓለዋ ፀጥታ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ዝለዓለ ምንባሩን ፈቐዶ ቦታ ሰባት ይፍተሹ ከምዝነበሩን ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ኣዲስ ኣበባ ገሊጹ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/president-isayas-warmly-welcomed-in-ethiopia\/4482638.html"} {"headline":"ፕረ. ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት አዲስ አበባ ኣትዮም","content":"ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሎሚ ቀዳም ንናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ስራሕ ዑደት አዲስ አበባ አትዮም ኣለው። ፕረዚደንት ኢሳያስ ዝመርሕዎ ልኡኽ ብቀዳማይ ሚንስተር አብይ አሕመድ ብዝተገብረሎም ዕድመ አዲስ አበባ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝበጽሕሉ ድሙቕ ኣቀባብላ ከምዝተገብረሎም መራኸቢ ብዙሃን ገሊጸን ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ዝመራሕ ጉጅለ ልኡኽ ሚንስተራትን ካልኦት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ዝሓዘ ምዃኑ ሚንስተር ሓበሬታ ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዝለአኽዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%8A%95%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%B0%E1%88%88%E1%88%B5%E1%89%B0-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%88%9D\/4482552.html"} {"headline":"ኢትዮጵያዊያን ንፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድሙቕ ኢትዮጵያዊ ኣቀባብላ ክገብርሎም መንግስቲ ጸዊዑ","content":"ኢትዮጵያዊያን ንፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድሙቕ ኢትዮጵያዊ ኣቀባብላ ክገብርሎም ሚንስተር ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ አሕመድ ሸደ መጸዋዕታ ኣመሓላሊፎም። “ካብ ጽባሕ ጀሚሮም ወግዓዊ ዑደት ንምግባር ክቡር ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ አዲስ አበባ ኽኣትው’ዮም። አዲስ አበባ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ድሙቕ ኣቀባብላ ንምግባርን ብዝተማልአ ኣገባብ ንምቕባልን አዲስ አበባን ኸባቢኣን ዝርከብ ህዝቢ ብምልኡ ወጺኡ ንኤርትራዊያን ኣሕዋትና ብኢትዮጵያዊ ዲሲፒሊንን ሰላምን ሕውነትን ዝተማልኣ ናይ ኣቀባብላ ስነ ስርዓት ክገብር ብወገን መንግስቲ መጸዋዕታ ነቕርብ ኣለና።” ብፕረዚደንት ኢሳያስ ዝምራሕ ልኡኽ ኤርትራ ንኸተማ አዋሳ’ውን ከምዝበጽሕ አቶ አሕመድ ሸደ ዝገለጹ ክኾኑ ኸለው ህዝቢ አዋሳ’ውን ድሙቕ ኣቀባብላ ክገብር ጸዊዖም ኣለው። ሰንበት ምሸት ናይ ኽልቲኡ ህዝብታት ናይ ሰላም መብሰሪ ዓብይ ናይ ድራር ግብጃ ከምዝገብርን ኣብ መለንየም አዳራሽ ዓብይ በዓል ከምዝዳለውን ሚንስተር ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ አሕመድ ሸደ ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ’ሎ። ‘ሰንበት ምሸት ኣብ አዳራሽ መለንየም 25 ሺሕ ህዝቢ ዝርከበሉ ዓብይ ናይ ሰላም መብሰሪ በዓል ክግበር’ዩ።” ኣብኡ ክልቲኦም መራሕቲ መደረ ክገብሩ’ዮም፡ ዕድመ ዝተገብረሎም ኢትዮጵያዊያንንን አባላት ዓለምለኻዊ ዲፕሎማቲክ ኮሚኒቲ ክርከቡ’ዮም ብሙዚቃ ዝተዓጀበ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ፍቕርን ሕውነትን ዘበስር ዓብይ ፕሮግራም ተዳልዩ’ሎ ክብሉ አቶ ኣሕመድ ሸደ አረዲኦም። ከተማ አዲስ አበባ ብባንዴራ ክልቲኣን ሃገራት ማዕሪጋ ከምትርከብ ሓይልታት ጸጥታ በብቦትኡ ብጥንቓቐ ክዘዋወሩ ይረአዩ ኣለው ክብል ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ከተማ አዲስ አበባ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%8B%B5%E1%88%99%E1%89%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%A3%E1%89%80%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%8B-%E1%8A%AD%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%91\/4481686.html"} {"headline":"ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ዳግም ክኽፈት'ዩ","content":"ኣፈኛ ፈደራላዊት ሪፖብሊክ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ኣሕመድ ሽደ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ሓምለ 15 ከምዝኽፈት ሓቢሩ። ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ዝሓበረ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ክኸውን እንከሎ፤ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብን ካብ 1998 ተዓጽዩ ዝጸንሐን ኤምባሲ ኤርትራ ምስ መገሻ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዳግም ከምዝኽፈትን እዩ ተሓቢሩ። ንናይ ትዊተር መልእኽቲ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ: ክልቲኤን ሃገራት ታሪኻዊ ሽርክነተን ብምሕዳስ ኣብ ጎደና ብልጽግናን ምርግጋእን ተኣሳሲረን ይስጉማ ምህላወን ኣፍሊጡ። ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ጽባሕ ቀዳም ኣትሒዙ ዑደት ዝገብር ብፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ: ኣብ ሃዋሳ ዝርከብ ኢንዱስትርያዊ ፓርክ ከምዝበጽሕውን ንሓበሬታ መንግስታዊ መራኸቢ ፋና ብምጥቃስ ሮይተርስ ብተወሳኺ ገሊጹ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%BD%E1%8D%88%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4481641.html"} {"headline":"ፕረ. ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጽባሕ ቀዳም አዲስ አበባ ክበጽሑ’ዮም","content":"ብፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ጽባሕ ቀዳም ሓምለ 14 አዲስ አበባ ከምዝኣትው ተገሊጹ። እዚ ዝተገልጸ ፕረ. ኢሳያስ ሎሚ ኣብ መመረቕታ መበል 31 ሃገራዊ ኣገልግሎት ሳዋ መደረ ኣብ ዘስምዕሉ እዋን’ዩ። እቲ ምብጻሕ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሰላምን ምትሕብባርን ክብ ዘብል’ዩ ክብሉ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽቶም ገሊጾም። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር አብይ አሕመድ ዝኾኑ ኣቶ ፍጹም ኣረጋ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ብወገኖም: ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ስራሕ ዑደት ጽባሕ አዲስ አበባ ከምዝበጽሑ ኣረጋጊጾም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8%E1%8B%9A%E1%8B%B0%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8B%88%E1%89%82-%E1%8C%BD%E1%89%A3%E1%88%95-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%AD%E1%89%A0%E1%8C%BD%E1%88%91-%E1%8B%AE%E1%88%9D\/4481222.html"} {"headline":"'ኣብ መስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብወገን ኤርትራ ኣሳታፊ ዝኾነ ንጹር ሓበረታ የለን' ኣቶ መስፍን ሓጎስ","content":"ካብ መስረቲ ገድሊ ናጽነት ኤርትራን፡ ኣባል`ቲ ጉጅለ-15 ተባሂሉ ዝፍለጥ መብዛሕቲኡ ኣባሉ ዝተኣስረን ኣቶ መስፍን ሓጎስ፡ እቲ ኣዕናዊ ኩናት ምብቅዑን፡ ብኢትዮጵያ ዝተወስደ ስጉምቲ ምትግባር ኮሚሽን ዶብን ጽቡቕ `ኳ እንተኾነ፡ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ኣካይዳን ዝውሃብ ዘሎ ምላሽን ግን እቲ ክንጽበዮ ዝጸናሕና ኣይኮነን ይብል ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%88%E1%8C%88%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%88%B3%E1%89%B3%E1%8D%8A-%E1%8B%9D%E1%8A%BE%E1%8A%90-%E1%8A%95%E1%8C%B9%E1%88%AD-%E1%88%93%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%89%B3-%E1%8B%A8%E1%88%88%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%8D%8D%E1%8A%95-%E1%88%93%E1%8C%8E%E1%88%B5\/4480286.html"} {"headline":"ግንባር ሓርነት ኦሮሞ የካይዶ ዝነበረ ዕጥቃዊ ቓልሲ ብግዚያዊነት ደው ምባሉ ኣፍሊጡ","content":"ኣብ ኤርትራ ዝመደብሩ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ) ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኦሮሚያ የካይዶ ዝነበረ ዕጥቃዊ ቓልሲ ብግዚያዊነት ደው ምባሉ ኣፍሊጡ። ብኣቶ ዳውድ ኢብሳ ናይ ዝመራሕ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ወሃቢ ቃል ኣቶ ቶሌራ ኣዳባ ውድቦም ብዛዕባ ዘውፅኦ ግዚያዊ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ኣዋጅ ተሓቲቶም እቲ ውግእ ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ኣብ ኦሮሚያ ክካየድ ከምዝፀንሐ ብዙሕ ጉድኣት ከምዝወረደን ብምግላፅ ኣብ ቀረባ እዋን ግን ዝለዓለ ልኡኽ ውድቦም ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ምርኻቡ ተዛሪቦም። “እቲ ርክብ ዝተኻየደ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ኣስመራ ኣብዝኸድሉ እዋን እዩ ተኻይዱ።እቲ ልዝብ ኣብ መንጎ ብኣቦ መንበር ኦነግ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ዝምራሕ ጉጅለን ቀዳማይ ሚንስተርን እዩ ተኻይዱ።ኣብቲ ልዝብ ናይ ሓሳባት ምልውዋጥ ተኻይዱ፣ኣብታ ሃገር ዘሎ ሽግር ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ብኽልቲኦም ወገናት ምርድዳእ ተጌይሩ።” ሰራዊት ኢትዮጵያ ደፊኡ ኣብ ልዕሌና መጥቓዕቲ እንተፈፂሙ ንርእስና ካብ ምክልኻል ወፃኢ ንወስዶ ስጉምቲ የለን ኢሎም። ኦነግ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት መቕተልቲ ምፍፃሞም ክግለፅ ፀኒሑ’ሎ። ናይ ኦሮሚያ ክልል ዋና ኣማሓዳሪ ኣቶ ለማ መገርሳ ሎም ቅነ ኣብዝሃብዎ ቃል መንግስቲ ንኹሎም ኣካላት ፃውዒት ሰላም ኣብዘቕረበሉ እዋን ንነፃነት ህዝቢ ኦሮሞ ብረት ዘልዓለ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ መንግስቲ ጉድኣት ምውራዱ ሓቢሮም። \"ትማሊ ኣበይ ከምዝነበሩ ዘይተፈልጡ ንሕና ሰላም ኣብ ዝኣወጅናሉ እዋን ንሳቶም ኲናት ኣዊጆም ኣለው።ኣብ ምዕራብ ወለጋ ንሪኦ ዘለና እዚ እዩ።ንናይ ህዝብና ሰላም ይሰርሑ ንዝነበሩ ኣባላት መሪሕነት መንግስቲ ቀቲሎም ኣለው።ሪኢናዮን ሰሚዕናዮን ዘይንፈልጥ ወላዲ ኣቦ ኣብ ቅድሚ ኣደን ውላድን ቀቲሎም ሬሳ ኣቃፂሎም ኣለው።እዚ ድዪ ነፃ ዝወፅእ?” ኣቶ ለማ እዚ ኵናት ኦሮሞ ኣብ ልዕሊ ኦሮሞ ዝኣወጆ እዪ እውን ኢሎም ። ኦነግ ኢድ ኣለዎ ንዝብል ክሲ ዝመለሱ ኣቶ ቶሌራ እዚ ኣብ ዝተጋገየ ሓበሬታ ተመስሪቶም ዝዛረቡዎ ፕሮፖጋንድ እዩ፤ሓቅነት የብሉን ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%8D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%88%93%E1%88%AD%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9E-%E1%8B%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%8B%95%E1%8C%A5%E1%89%83%E1%8B%8A-%E1%89%93%E1%88%8D%E1%88%B2-%E1%89%A5%E1%8C%8D%E1%8B%9A%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%89-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4480263.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ምኽፋት ናብ ወደባት ቀይሕ ባሕሪ ዝወስዱ መንገድታት ቀዳምነት ዝወሃቦ ምዃኑ ኣፍሊጣ","content":"ንመስርሕ ዕርቀ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ስዒቡ ናብ ወደባት ቀይሕ ባሕሪ ዝወስዱ መንገዲታት ምኽፋት ቐዳምነት ዝወሃቦ ምዃኑ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሕመድ ሺሃድ ምግላጹ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ድሕሪ’ቲ ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝጸንሓ ውጥረት ክልቲኣን ሃገራት ሶኑይ ሓምለ 9,2018 ኣብ ኣስመራ ብዝተፈረመ አዋጅ ሓባራዊ ሰላምን ምሕዝነትን ምብቕዑ ድሕሪ ምግላጹ ክልቲኣን ሃገራት ኤምባሲታተን ክኽፈቱ፡ ምንቅስቃስ ሰባት፡ ምኽፋት ወደባትን በረራ ከምዝጅመር ምግላጸን ይፍለጥ። እዚ ታሪኻዊ ዝተባህለ ፍጻሜ ነቲ ተአፋፊ ዝኾነ ፖለቲካንን ጸጥታን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝልውጥ ምኳኑ ይግለጽ ኣሎ። ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሕመድ ሺሃድ ብረቡዕ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ምኽፋት ናብ ወደባት ዓሰብን ምጽዋዕን ዝወስዱ ክልተ መንገድታት ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣወንታዊ ጥቕሚ ዝህብ’ዩ ኢሎም። “እዚ ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት ንህዝብታት ክልቲኦም ሃገራት ጥራይ ዘይኾነ ንመላእ’ቲ ዞባ ዝጠቕም’ዩ” ክብሉ ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ዘካየድዎ ዑደት ምሕባሮም መርበብ ሓበሬታ ኤርትራ ሻባይት ገሊጹ’ሎ። ሰብ ሞያ ብወገኖም ምኽፋት ወደባት ዓሰብን ምጽዋዕን ኢትዮጵያ ፍርያታ ንወጻኢ ንምልኣኽን ሸርፊ ናይ ወጻኢ ባጤራ ክትረኽብ ከምዝሕግዛ ይገልጹ። ኣስታት 100 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ንዘለዋ ኢትዮጵያ ኣብ ወደባት ጅቡቲ ክትውከል ዝጸንሓት ኮይና ሓድሽ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ\/ር አብይ አሕመድ ናብ መዝነት ካብ ዝመጹ ግን ንወደባት ሱዳን ክጥቐሙ ኣብ ስምምዕ ከምተበጽሓ ይፍለጥ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%8B%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%88%95-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%88%B5%E1%8B%B1-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%8D%8B%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%8B%B3%E1%88%9D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A6-%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%91-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A3\/4479697.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ ደብረ ማርቆስ ብዘጋጠመ ዕግርግር ኣብ ንብረት ምዕናው ተገሊጹ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ከተማ ደብረ ማርቆስ ሎሚ ረቡዕ ብዝተለዓለ ዕግርግር ኣብታ ከተማ ዘመናዊ ኣብ ልዕሊ ዝበሃል ሆቴል ሓዊሱ ኣብ ንብረት ዕንወት ወሪዱ። ነባር ኣባል መሪሕነት ኢህወዴግ ኣቶ በረኸት ስምኦንን ኣቶ ምግባሩ ከበደን ዝተበሃሉ በዓል ስልጣን ናይቲ ክልልን ኣብታ ከተማ ብሕቡእ ንህዝቢ ኣኪቦም ዝብል ናይ ሓሶት ዜና ምኽንያት ብምግባር መናእሰይ ኣብ ልዕሊ እቲ ሆቴል ከቢድ ጉድኣት ከምዝወረዱ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርትን ወሃብቲ ቃል ናይቲ ዞባን ናይቲ ክልልን ገሊፆም ኣለው። ኣቶ በረኸት ስምኦን ኣብቲ ሆቴል ከምዘይነበሩን ኣቶ ምግባሩ ከበደ ድማ ኣብ ባህር ዳር ይካየድ ኣብዘሎ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ናይቲ ክልል ኣብ ምስታፍ ስለዝርከቡ ናይ ሓሶት ወረ ምዃኑ ሓላፊ ቢሮ ርክብ ህዝቢ ናይቲ ክልል ኣቶ ንጉሱ ጥላሁንን ሓላፊ ኮሚኒኬሽን ዞባ ምብራቕ ጎጃም ኣቶ ሽፈራው ኣየሌን ገሊፆም ኣለው። ኣብ ልዕሊ መካይንን ካልኦት ንብረትን እውን ናይ ምቅፃል ሓደጋ ከምዝወረደን እቲ ወጥሪ ኣማሲዩ እውን ብምቕፃሉ ሓይልታት ፀጥታ ንቶም ዝተኣከቡ ንምብታን ተኹሲ ምኽፋቶም ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ገሊፆም ኣለው።ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ ኣቶ ሽፈራው ገሊፆም ኣለው።።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%9B%E1%88%AD%E1%89%86%E1%88%B5-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%8B%95%E1%8C%8D%E1%88%AD%E1%8C%8D%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%8A%93%E1%8B%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4478578.html"} {"headline":"ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ\/ሃ ንስምምዕ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኢዱ","content":"ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣዋጅ ሓባራዊ ሰላምን ምሕዝነትን ብምፍርራሞም ናእድኡ ገሊፁ።ቤት ምኽሪ ፀጥታ ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ንምቕፃል ዝተበፅሐ ስምምዕ ሓድሽ ምዕራፍ ምሕዝነትን ሸሪክነትን ዝኸፈት እዩ ኢሉዎ’ሎ። ኣብቲ ሓሙሽተ ነጥብታት ዝሓዘ መደብ ንውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንምትግባር ምስምምዓን’ውን ንኢዱዎ’ሎ። እቲ ታሪኻውን ኣገዳስን ምዕባለ ኢሉ ዝፀውዖ ስምምዕ ንቀርኒ ኣፍሪቃን ንካልኦትን ኣወንታዊ ሳዕቤን ዘለዎ እዩ ኢሉዎ’ሎ። እቲ መግለፂ ብተወሳኺ ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ስምምምዕ ክትግብራ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ንምሕጋዝ ቅሩብ እዩ ይብል ።ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ከይዲ ንምሕጋዝ ዝሃቡዎ ቃል ዝሓበረ እቲ መግለፂ ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ እቲ ሓድሽ ምዕባለ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓድሽ ምዕራፍ ምትሕብባርን ሰናይ ጉርብትናን ዝኸፍት እዩ ምባሎም እውን እቲ መግለፂ ሓቢሩ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ መግለጺ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ምንባብ ይክኣል። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/security-council-on-ethio-eritrea-declaration-of-mutual-peace-and-friendship\/4478546.html"} {"headline":"100 መዓልታት መዝነት ቀዳማይ ሚንስተር አብይ አሕመድ","content":"ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ስልጣን ካብ ዝሕዙ ሎሚ ልክዕ ሓደ ሚእቲ መዓልቲ ኣቑጺሮም ኣለው። ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ኣትያ ኣብዝነበረትሉ እዋን ናብ ስልጣን ዝደየቡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ትኹረት መራኸቢ ማዕኸናት ውሽጢ ሃገር ዓለምን ዝስሓቡ ተግባራት ፈፂሞም እዮም። ናይ ዝሓለፉ 100 መዓልታት ጉዕዞ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝገምገሙ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ታሪክን ስነጥበብን ኣቶ ኣበባው ኣያሌው እቶም ቀዳማይ ሚንስተር ዝተበላሸወ ድምፀት ፖለቲካዊ መደረ ከምዝቐየሩ ይገልፁ። “ንፖለቲከኛታት፣ንካድራት ወይድማ ንውሑዳት ኢትዮጵያዊያን ልሂቃን ብዝርድኦም ከይኮነስ ናይ ኢኮኖሚ ይኹን ናይ ፖለቲካ ሽግራትና ከረድኡ ከለው ነቲ መንእሰይ፣ንዓብይ፣ንዝተመሃረ ይኹን ንዘይተመሃረ ብሓፈሻ ኩሉ ብዝርድኦ ቋንቋ ምዝራቦም ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ታሪኽ ፖለቲካዊ መደረ ዓብይ ለውጢ ኣምፂኦም ኢለ እኣምን።” ኣቶ ኣበባው ብምውሳኽ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣብታ ኢትዮጵያ ክሰፍን ዝገበሩዎ መንፈስ ዕርቂ ዓብይ ምዃኑን እሱራት ፖለቲካ ምፍትሖም መፃኢ ፖለቲካዊ ክድልድል ባይታ ፈጢሮም እዮም ይብሉ ። ኣብ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣት ሚችጋን ዩኒቨርስቲ ካተሪንግ ናይ ታሪክ ፕሮፌሰር ዝኾኑ ህዝቅኤል ጋቢሳ ብወገኖም ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ስለ ፍቕርን ሓድነትን ብምዝራብ ኣንፀላልዩ ዝነበረ ሓደጋ መሊሶምዎ እዮም ይብሉ። ፕሮፌሰር ህዝቅኤል ዘይትንከፉ ዝመስሉ ዝንበሩ እሱራ ብምፍታሕ፣ብፀረ ሽብር ዝተመደቡ ውድባት ነፃ ምግባሮም፣ብፖሊሲ ደረጃ እውን ዘፈራት ምክልኻልን ደሕንነትን ንምልዋጥ ዝወሰዱዎም ስጉምትታት ተስፋ ዝውሃቦም እዮም ይብሉ።ልዕሊ ኩሉ ድማ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ንልዕሊ 20 ዓመታት ጨምዲዱ ሒዙወን ዝነበረ ወጥሪ ክፍታሕ ዝወሰዱዎም ስጉምቲ ነተን ሃገራት ጥራሕ ከይኮነስ ንናይቲ ዞባ ሰላምን ምርድዳእን ዘለዎም ራእይ ዝሕብር ስለዝኾነ ዝጥቀሰ እዩ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A0%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A0%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5\/4477060.html"} {"headline":"ኣብ ኣርባ ምንጭ ንድጋፍ ቀ\/ሚ አብይ ሰልፊ ተኻይዱ","content":"መዝነት ካብ ዝቕበሉ ሎሚ ሚእቲ መዓልታት ዘቑጸሩ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ\/ር አብይ አሕመድ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ዝወሃቦም ዘሎ ናይ ድጋፍ ሰልፊ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ይካየድ’ሎ። ትማሊ ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ አርባ ምንጪ ኣዝዩ ብዙሕ ህዝቢ ዝተሳተፈሉ ሰልፊ ምክያዱ ነበርቲ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም ኣለው። አባል ኣመራርሓ ሰማያዊ ፓርቲ አቶ ዳንኤል ስበሺ ኣብቲ ሰልፊ ዕዱም ጋሻ ዝነበሩ ክኾኑ ከለው እቲ ሰልፊ ምሉእ ብምሉእ ነቶም ቀዳማይ ሚንስትር ንምድጋፍ ዝተኻየደ’ዩ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%AD%E1%89%A3-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%8C%AD-%E1%8A%95%E1%8B%B5%E1%8C%8B%E1%8D%8D-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A0%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/4476976.html"} {"headline":"ኣገልግሎት መስመር ቴሌፎን ኤርትራን ኢትዮጵያን ጀሚሩ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድማ በረራ ዝመጽእ ሰሙን ክጅምር’ዩ","content":"መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ዝመጽእ ረቡዕ ጀሚሩ ናብ ኣስመራ በረራ ከምዝጅምር አፍሊጡ። እቲ መንገዲ ኣየር ዘመናዊ ቦይንግ ድሪም ላይነር 787 ነፋሪት ናብ ኣስመራ ዝገብሮ በረራ ድሕሪ 20 ዓመታት ተቋሪጹ ምጽንሑ’ዩ። እዚ ስጉምቲ ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድን ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ስምምዕ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነት ትማሊ ሶኑይ ድሕሪ ምፍርራሞም’ዩ ተወሲኑ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ናይ ቀዳማይ ሚንስተር አብይ አሕመድ ናይ ኣስመራ ዑደት ስዒቡ ዝጀመረ መስመር ቴሌፎን ዜጋታት ክልቲኣን ሃገራት ብስሩዕ መስመር ኾነ ብተንቀሳቃሲ ቴሌፎን ኣገልግሎት ቴሌፎን ክዘራረቡ ጀሚሮም ኣለው። ኢትዮ ቴሌ ኮም ብዛዕባ ቁጽራት መደወልን ቀረጽን መግለጺ ሂቡ’ሎ። እቲ ዝምድና ክልቲኣን ህዝብታት ኣብ ግምት ብምእታው’ውን ናይ ቀረጽ ምትዕርራይ ኣብ ቀረባ ከምዝገበር ወሃቢ ቃል ኢትዮ ቴሌ ኮም አቶ ዓብደራሕማን አሕመድ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም ኣለው። ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ክድውሉ ዝደልዩ 291-1 ቁጽሪ፡ ናብ ሞባይል ዝድውሉ ድማ 291-7 ቁጽሪ ብምጥቃም ክድውሉ ከምዝኽእሉ አቶ ዓብድራሕማን ገሊጾም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%8D%E1%88%8E%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AD-%E1%89%B4%E1%88%8C%E1%8D%8E%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%A9-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%88%E1%8B%B2-%E1%8A%A3%E1%8B%A8%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%B5%E1%88%9B-%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%8A%A5-%E1%88%B0%E1%88%99%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%8C%85%E1%88%9D%E1%88%AD-%E1%8B%A9\/4476960.html"} {"headline":"ኣዋጅ ሓባራዊ ሰላምን ምሕዝነትን ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝጸንሓ እገዳ ግብራዊነቱ ክቋረጽ ከምዝኽእል ዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃ ሓቢሮም","content":"ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት አንቶኒ ጉተረስ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝወሰድዎ ተበግሶ ሰላም ንዒዶም፡ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዝተበጽሓ ኣዋጅ ሓባራዊ ሰላምን ምሕዝነትን ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝጸንሓ እገዳ ግብራዊነቱ ክቋረጽ ከምዝኽእል ሓቢሮም። ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መንጎኣን ዝጸንሓ ኹነተ ሰላም ከብቕዕ ትማሊ ሶኑይ ስምምዕ ኣዋጅ ሓባራዊ ሰላምን ምሕዝነትን ተፈራሪመን፡ ብተወሳኺ ኤምባሲታተን ስርሖም ክጅምሩ፡ በረራ ካብን ናብን እዘን ሃገራት ከምዝጅመር በዚ አጋጣሚ አፍሊጠን ኣለዋ። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት አንቶኒ ጉተረስ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ አዲስ አበባ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሕቡራት ሃገራት እቲ ስምምዕ ክትግበር ክልቲኣን ሃገራት ዘድልየን ሓገዝ ንምትሕብባር ድልውነቱ ገሊጾም። “ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ቐረባ ዝተራእየ ለውጢታት ንክልቲኡ ህዝብታት ጥራይ ዘይኾነ ንኣፍሪቃን ንመላእ ዓለምን ተስፋ ዝህብ’ዩ። ሕቡራት ሃገራት ድማ ክልቲኦም ወገናት ዘድልይ ኹሉ ንምትሕብባር ድልው’ዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ነቲ ተበጺሑ ዘሎ አዋጅ ሓባራዊ ሰላምን ምሕዝነትን ንምትግባር ኣብ ክልቲኣን ወገናት ዝውሰን’ዩ ድሕሪ ምባል ሕቡራት ሃገራት ድማ እቲ ስምምዕ ብዓወት ክዛዘም ብፍላይ ድማ ንሕቶ ዶብ ብዝምልከት ዘድልይ ኹሉ ንምስላጥ ድልው ምኳኑ ይገልጽ” ኢሎም። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ወርቅነህ ገበየሁ ነቲ ዝመጽእ ሰሙን ዝጅመር ካብን ናብን ክልቲኣን ሃገራት ዝኻየድ በረራ ብዝምልከት ከምዚ ኢሎም። “ሓደ ካብቲ ዝተሰማማዕናሉ ነጥብታት- መጉዓዝያ’ዩ።ስለዚ ድማ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ አዲስ አበባ ናብ ኣስመራን ካብ ኣስመራን ናብ አዲስ አበባን በረራ ክጅምር’ዩ። ብተወሳኺ ኩሎም መንገድታት ካብን ናብን እዘን ሃገራት ተኸፊቶም ምንቅስቃስ ክጅመር’ዩ” ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%8C%85-%E1%88%93%E1%89%A3%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%92%E1%89%A1-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%93-%E1%8A%A5%E1%8C%88%E1%8B%B3-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8A%90%E1%89%B1-%E1%8A%AD%E1%89%8B%E1%88%A8%E1%8C%BD-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%BD%E1%8A%A5%E1%88%8D-%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%8A-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/4476639.html"} {"headline":"መግለጺ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን","content":"ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝጸንሓ ኹናት ብምዝዛም ሓባራዊ አዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን አጽዲቀን። ኣሜሪካ ኣብ መንጎ ሃገረ ኤርትራን ፈደራል ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኢትዮጵያን ን20 ዓመታት ዝጸንሓ ግጭት ብምዝዛም ሓምለ 9 ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላምን ጸጥታንን ብሓጎስ ተቐቢላቶ’ላ። ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ\/ር አብይ አሕመድን ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂን ብትብዓት ንህዝብታት ክልቲኦም ሃገራት ናብ ሰላም፡ብልጽግናን ፖለቲካዊ ለውጢ ብምምርሖም ንንእድ። ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት ናብ ንቡር ንምምላስን ንምትግባር እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈረመ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ህዝብታት ክልቲኣን ሃገራት ኣብ ሓባራዊ ፖለቲካዊ፡ቁጠባዊን ማሕበራዊ ዝምድንኦምን ባህጎምን ከተኹሩ ዕድል ዝህብ’ዩ። ኣሜሪካ ድማ ነዚ መስርሕ ሰላም ኣብ ምትግባሩ ነዚ ኸይዲ ዘድልይ ሓገዝ ንምብርካት ድልውነታ ትገልጽ ዝበለ መግለጺ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ብተወሳኺ ኩሎም ወገናት ብርእሰ ተአማንነትን ግሉጽነትን ክሰርሑ ነተባብዕ ኢሉ’ሎ። እቲ መግለጺ ኣብ መወዳእታ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፍጠር ሰላም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕሪን ምርግጋእ፡ ጸጥታን ምዕባለን ዝፈጥር’ዩ ይብል።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AD-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%93%E1%89%A3%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%8C%85-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95\/4476551.html"} {"headline":"ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ናይ ኹናት ወጥረት ብወግዒ ደው ንምባል ስምምዕ ተፈሪሙ","content":"ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ናይ ኹናት ወጥረት ብወግዒ ደው ንምባል ስምምዕ ተፈሪሙ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ አቶ ፍጹም አረጋ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ እቲ ዝተፈረመ ስምምዕ ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን መግለጺ ሓባራዊ ስምምዕ ሰላምን ሕውነትን ተባሂሉ ከምዝተሰየመን ብኽልቲኦም መራሕቲ ከምዝተፈረመ ሓቢሮም። እቲ ስምምዕ ሓሙሽተ ነጥብታት ዝሓዘ ምዃኑ ብምጥቃስ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ክልቲኦም ሃገራት ብሓባር ክርብሓሉ ዝኽእላ ዕድል ከምዘምለጠን እዚ ድማ ክቅየር’ዩ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8E-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%B9%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%88%E1%8C%8D%E1%8B%92-%E1%8B%B0%E1%8B%8D-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%AA%E1%88%99\/4476340.html"} {"headline":"ዶ\/ር ኣረጋዊ በርሀ ዝመርሕዋ ጉጅለ ዴ.ም.ት ኣዲሳበባ ኣትያ","content":"ብዶ\/ር ኣረጋዊ በርሀ ዝምራሕ ጉጅለ ኣባላት ዴሞክራሲያዊ ምትሕብባር ትግራይ (ዴ.ም.ት) ቅድሚ ሳልስቲ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ’ሎ። ዕላማ’ታ ጉጅለ ‘እቲ ብዶ\/ር ኣብዪ ኣሕመድ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ንከይቕልበስ መታን ድጋፍ ንምብርካትን ህዝቢ ተረባሓይ ንምግባርን’ ምዃኑ’ውን ተገሊጹ’ሎ። ኣቦ መንበር’ቲ ፓርቲ ዶ\/ር ኣረጋዊን ምክትሎም ኢንጂነር ግደይ ዘረኣጽየንን ምስ ሓላፊ ክፍሊ ውደባ ኣቶ መኮነን ዘለለው’ዮም ኣባላት’ታ ጉጅለ። ኣብ ስደት እናሃለው ‘ምስ ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተራኺቦም ስፍሕ ዝበለ ልዝብ ንምክያድ ከምዝተዘራረቡን፣ ብዛዕባ’ቲ ንመጸሉ ዘለና ዕላማ፣ ብሓፈሽኡ’ኳ ዝፈልጥዎ እንተኾነ፣ ሓድሽ ለውጢ መጺኡ ኣሎ፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ናይ ነጻነት ኣየር ከትንፍስ ጀሚሩ ስለዘሎ ንሕና’ውን ነቲ ናይ ነጻነት ኣየር ክነትንፍስ ንመጽእ ከምዘለና ኣፍሊጥና ኢና መጺና’ ኢሎም ዶ\/ር ኣረጋዊ በርሀ። ‘ወከልቲ ክልላዊ ምምሕዳር ትግራይ ክሳብ’ዚ ቃለ ምልልስ ዝገበርናሉ እዋን ኣየዘራረቦምን። ክቕበሉና’ዮም ዝብል ተስፋ ነይሩና’ ይብሉ ኢንጂነር ግደይ ዘራጽዮን። ዶ\/ር ኣረጋዊ በርሀን ኢንጂነር ግደይ ዘረኣጽየንን ካብ ሞንጎ 11 መስረቲ ተሓህት\/ህወሓት እቶም ክልተ ምዃኖምን ዕጥቃዊ ቃልሲ ንምጅማር ናብ በረኻ ደደቢት ካብ ዝወረዱ ሒደት ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ምዃኖምን ዝዝከር’ዩ። ክልቲኦም ናብ ኣዲሳበባ ዝተመለሱ ድሕሪ ኣስታት 44 ዓመታት’ዩ። እንተኾነ ወከልቲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ክሳብ’ዚ ሰዓት’ዚ ከምዘየዘራረቦም’’ውን ንምፍላጥ ተኻኢሉ’ሎ። ሙሉእ ቃለ ምልልስ ኣብ ናይ ጽባሕ ሰሉስ መደብና ተኸታተሉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/dr-aregawi-berh-and-gidey-zeresion-back-in-addisababa-after-43-years\/4475453.html"} {"headline":"ኤርትራ ናብ ኢጋድ ክትምለስ ዋና ጸሓፍ ኢጋድ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ጸዊዖም","content":"ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ኣምባሳደር ማሕቡብ ማዓሊም ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ስምምዕ ኣልጀርስ ምሉእ ብምሉእ ግብራዊ ንምግባርን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ርክባት ናብ ንቡር ንምምላስን ውሕሉልን ተባዕን መሪሕነት ወሲዶም ክብሉ መልእኽቲ ታሕጓስ ልኢኾም። ንቡር ርክባት ኢትዮጵያን ኤርትራን ምፍታሕ ጉዳይ ዶብን ንህዝብታት ኽልቲአን ሃገራት ዝጠቅምን ሓባራዊ ባህጊ ዝኾነ ሰላምን ቁጠባዊ ውህደትን ዘግህድ እዩ ኢሎም። ኤርትራ ናብ ኢጋድ ተመሊሳ ግቡእ ቦቱኣ ክትሕዝ እውን እቲ መግለፂ ይፅውዕ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%8C%8B%E1%8B%B5-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%88%E1%88%B5-%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%8D-%E1%8A%A2%E1%8C%8B%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%98%E1%8B%8D%E1%8C%BD%E1%8A%A5%E1%8B%8E-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%96%E1%88%9D\/4475294.html"} {"headline":"ንእገዳታት ዘበገሱ ፍፃመታት ድሕሪ ሕጂ ኣይህልውን -ዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃ ኣንቶኒዮ ጉተረስ","content":"ኢትዮጵያ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝጸንሐ እገዳ ክልዓል ሓቲታ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍፃሙ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዋና ፀሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ ማዕቐብ ሕቡራት ሃገራት ክቕፅል እዩ ዝብል እምነት ከምዘይብሎም ገሊፆም። ንሶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዝፀንሐ ሓርፋፍ ርክብ ተለዊጡ ዝተፈጥረ ኩነታት ምልክት ተስፋ እዩ ኢሎምዎ ኣለው። “ኣብ ቀረባ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተርኣየ ለውጢ ንኽልቲአን ሃገራትን ኣፍሪቃን ጥራሕ ከይኮነስ ንምሉእ ዓለም ዓብይ ናይ ተስፋ ምልክት ከምዝኾነ እኣምን።” ማዕቐብ ናይ ምልዓል ስልጣን ናይ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ምዃኑ ብምግላፅ ንእገዳታት ዘበገሱ ፍፃመታት ድሕሪ ሕጂ ኣይህልውን ዝብል እምነት ስለዘለኒ፣ንእገዳ ዝደረኹ ምኽንያታት እንድሕር ዘይሃሊዮም ድማ ግዚኦም ክሓልፍ ተፈጥሮኣዊ እዩ ኢሎም። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ ክልዓል ኢትዮጵያ ብወግዒ ሓቲታ። ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ናይ ኤርትራ መገሽኦም ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተመለሱ ምስ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዋና ፀሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ድሕሪ ምርኻቦም ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ ከልዕሎ ነቶም ዋና ፀሓፊ ወግዓዊ ሕቶ ምቕራቦም ፋና ብሮድካስቲን ኮርፐሬት ፀብፂቡ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/4475283.html"} {"headline":"ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንተበግሶ መስርሕ ሰላም መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዒዱ","content":"ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰላም ክልቲኡ ህዝብታት ብዘላቒ መንገዲ ንምፍታሕ ዘርአዩዎ ዘለዉ ድሉውነትን ተበጊሶን ብምንኣድ መግለፂ ኣውፂኡ። ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮምኒኬሽን ክልል ትግራይ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ብሕልፊ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ን20 ዓመታት ዝፀንሐ ኩነታት ብምፍታሕ ምሕዝነትን ሕውነትን ኢትዮ-ኤርትራ ንምሕያል ዘርኣዮ ድልየት፣ ባህጊን ፍቕሪን ኣዝዩ ዘሐጉስን ኣብቅድሜና ብሩህ ተስፋ ምህላዉ ዝገልፅን እዩ ይብል፡፡ ብተወሳኺ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ሕውነታዊ ናእዳን ምስጋናን ክገልፅ ይደሊ ይብል ፡፡ ኩነታት ኢትዮ-ኤርትራ ብዘላቒነት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ኩለመዳያዊ ፃዕሪ መንግስትን ህዝቢን ክልል ትግራይ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘሎ እናረጋገፀ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ነቲ ሕጂ ተጀሚሩ ዘሎ ስራሓት ሰላም ዝያዳ ንምሕያል ኣብ ዝሓፀረ እዋን ቀጥታዊ ዝኾነ ርክብ ብምጅማር ሕውነቶምን ምሕዝነቶምን ንኸጠናኽሩ ፃውዒቱ ኣቕሪቡ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%89%A0%E1%8C%8D%E1%88%B6-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8B%92%E1%8B%B1\/4475243.html"} {"headline":"ኩነተ-ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኣዋጅ ኣብቂዑ","content":" ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ኩነተ ኵናት ክልቲአን ሃገራት ከምዘብቅዐ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድን ሎሚ ሰኑይ ትሽዓተ ሓምለ ኣብ ዝኸተምዎ ሓባራዊ ኣዋጅ ኣረጋጊጾም። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል: ኣብ ዝለኣኽዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ነዚ ሓባራዊ ኣዋጅ ማለት “ኣዋጅ ሰላምን ሕውነትን” ዘፍለጡ ክኾኑ እንከለው፤ እቲ ኣዋጅ ሓሙሽተ ነጥብታት ዝሓዘ ምዃኑውን ብተወሳኺ ጠቒሶም። ​ ብመሰረት እቲ ዝተዋህበ መግለጺ: ትሕዝቶ እቲ ኣዋጅ፥ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምድንፋዕ ፖለቲካዊ: ቁጠባዊ: ማሕበራዊ: ባህላውን ጸጥታውን መዳያት ክተሓጋገዛ ተሰማሚዐን ኣለዋ። ካብ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀልን ሓላፊ ስታፍ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ኣቶ ፍጹም ኣረጋን ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዝጠቐሶ፤ እቲ ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ሕውነትን ኣብዞም ዝስዕቡ ሓሙሽተ ነጥብታት ዝቖመ እዩ። ​ ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ሕውነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ክልተ መዓልቲ ናይ ኤርትራ ዑደቶም ዛዚሞም ሎሚ ከምዝተመልሱ ብተወሳኺ ተሓቢሩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%B5%E1%8A%90%E1%89%B0-%E1%8A%B5%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%8C%85-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%89%82%E1%8B%91\/4474677.html"} {"headline":"ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ኣየርን ባሕርን ዝርከቦ ዝተፈላለዩ ርክባት ክጅምራ'የን","content":"ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን በረራታት መንገዲ ኣየር ፤ ኣገልግሎት ወደብ፥ ካብን ናብን ምንቅስቓስ ህዝቢ ክጅምርን ኤምባሲታት ክኽፈቱን ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ኣብ ኤርትራ ዑደት ዝገብር ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነዚ ዘፍለጡ: ሰንበት ሾሞንተ ሓምለ ንኽብሪ'ቲ መሪሖሞ ዝመጸ ላዕለዋይ ልኡኽ ፈደራላዊት ሪፖብሊክ ኢትዮጵያ ብፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝተገብረ ናይ ድራር እንግዶት እዩ። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብቲ ኣጋጣሚ: ፕረዚደንት ኢሳያስ ንጉዳይ ሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ዘርኣዮ ቅሩብነት ተገዳስነትን ዘለዎ ኣኽብሮትን ድሕሪ ምግላጽ: “ኩነታት ሞት ኣልባ ኩናት ዛዚምና ናብቲ ክልቲኦም ህዝብታት ዝረብሑሉ ምዕራፍ ንምስግጋር ዝጀመርካዮ ቅዱስ ዕላማ ሸትኡ ከምዝወቅዕ ኣይጠራጠርን” ክብሉ ንፕረዚደንት ኢሳያስ ኣሞጊሶም። ፕረዚደንት ኣብይ ብዘይካዚ: ቅድሚ ዕስራ ዓመት ብዘጋጠመ ግጭት ህይወቶም ንዝሰኣኑን ንዝሰንከሉ ኤርትራውያን ዝተሰምዖም መሪር ሓዘን ንኤርትራውያን ስድራቤታት ዝገለጹ ክኾኑ ከለው: \"ብድሕሪ ሕጂ ኲናት ኣይንዘክር፤ ብድሕሪ ሕጂ ዘለና ዓቕሚ: ናይ ልምዓት ዓቕሚ: ናይ ሰላም ዓቕሚ እናተላዘብና ብቑልጡፍ ሰሪሕና ንክልቲኦም ህዝብታት ክንክሕስን ዘሎ ርክብ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምስግጋሩ በዚ ኣጋጣሚ ከረጋግጸልኩም እፈቱ\" ድማ ኢሎም። ንፕረዚደንት ኢሰያስ “ወዲ ኣፎም” ንከተማ ኣስመራ ድማ “ኣስመራ ጻዕዳ\" ኢሎም ንቀልቢ ዕዱም ዝሰሓቡ ፕረዚደንት ኣብይ: ብፍሉይ ንህዝቢ ኤርትራ ኣመልኪቶም ኣብ ዝገበርዎ መደረ: “ ህዝቢ ትግራይ: ህዝቢ ዓፋር: ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ንዓኹም ፍቕርን ኣኽብሮትን ከምዘለዎ፤ ምሳኹም ክሰርሕን ክዓብን ዝደሊ፤ ምሳኹም ሰናይ ጉርብትና ዝናፍቕ’ዩ” ምዃኑ ብምግላጽ “ኣጀንዳ ጽልኢ ዘየካይድ ምዃኑ ፈሊጥኩም ንሓው ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ዓፋርን ልክዕ ሎሚ ከምዝሃብኩምና ፍቕሪ ልብኹም ከፊትኩም ርክባትኩም ክትጅምሩ” ዝብል ለበዋ ኣመሓላሊፎም። “ዶክተር ኣብይ ዝወሰዶ ሕርያ ቀሊል ሕርያ ኣይኮነን” ኢሎም ንዕዱማት ዘዘኻኸሩ ፕረዚደንት ኢሰያስ ብወገኖም: እዚ ሕርያ’ዚ ን 25 ዓመት ዕድል ተፈጢሩ: ኩነታት ተቐይሩ: ናብ ዝሓሸ ዝዓበየ ምዕባለ ይኽየድ ኣሎ ኣብ ዝተባህለሉ: እቲ ዕድል በቲ ዝተፈጥረ ኩነታት ከምዝተኾልፈ ኣስሚሮምሉ። ን25 ዓመታት ዝጠፍአ ግዜን ዝተኸስረ ዕድልን ብዝኾነ መንገዲ ክትልክዖውን ዝከኣል ከምዘይኮነ ዝገለጹ ፕረዚደንት ኢሰያስ: “ሎሚ ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ ግን ኣይከሰርናን። ኣይጠፍኣናን። ንብረትና ብሙሉኡ መሊስናዮ” ኢና ድማ ኢሎም። ንውዕውዕ ኣቀባብላ ህዝቢ ኣመልኪቶም ፕረዚደንት ኢሰያስ ንዕዱማት ኣብ ዘስምዕዎ ቃል: ናይ ልቡ ስምዒት ብፍኑው መንገዲ መቆጻጸሪ ዝሰኣነ ናይ ሓቀኛ መግለጺ ተርእዮ ምዃኑ ጠቒሶም “ እንቃዕ ሓጎሰና: ንኹሎም ኣብዚ ዘለው ኣጋይሽ ምሳና ድማ እንቃዕ ሓጎሰኩም: እንቃዕ እዚ ርኣኹም - ናይ ብሓቂ ስምዒት ናይዚ ሃገር እንታይ ምኻኑ ርኢኹም ኣለኹም“ ድማ ኢሎም። ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተፈላለዩ ባህላውን ዘመናውን ደርፍታትን ሳዕስዒታትን ዝቐረቡ ክኾኑ እንከለው: ነቲ መድረኽ ዝዕዘቡ ዝነበሩ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ገጾም ሓጎስን ፍሽኽታን ይንበብ ነይሩ። እቲ ናይ ድራር እንግዶት ብቐጥታ ብመገዲ ተለቪዥን ኤርትራ ዝተመሓላለፈ ክኸውን እንከሎ: ተለቪዥን ኢትዮጵያውን ነቲ ፈነወ ብቐጥታ የመሓላልፎ ምንባሩ ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%8B%A8%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A6-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%88%AD%E1%8A%AD%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%8C%85%E1%88%9D%E1%88%AB%E1%8B%A8%E1%8A%95\/4474462.html"} {"headline":"መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ 20 ዓመታት ንፈለማ ጊዜ ተራኺቦም","content":"ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር አብይ አሕመድ ሎሚ ሰንበት ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ኣስመራ ኣትዮም። ንሶም ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝኣተውሉ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከምተቐበልዎም ሚኒስተር ዜና ኤርትራ አቶ የማነ ገብረ መስቀል ኣብዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ኣፍሊጦም። በዚ ታሪኻዊ ዝተባህለ ርክብዚ: መራሕቲ ክልቲኣን ሃገራት ድሕሪ 20 ዓመታት ንመጀመርያ ጊዜ ይራኸቡ ኣለው። ​ኣቐዲሙ: ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ፤ ኢትዮጵያ ንናይ መወዳእታን ቀያድን ውዕል ኣልጀርስ ብዘይቅድመ ኩነት ተቐቢላቶ ኣላ ድሕሪ ምባሎም፤ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እውን \" ንህልው ኩነታት ብቐጥታን ብዕምቆትን ክንፈልጦን ቀጻሊ ውጥን ስራሕ ምእንቲ ክንነድፍን ልኡኽ ናብ አዲስ አበባ ነበግስ አለና” ክብሉ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ ስውኣት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ምግላጾም ይዝከር። በዚ ድማ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝተመርሐን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝተረኽቦን ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጽሑ ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/eritrean-and-ethiopian-leaders-meet-for-the-first-time-in-20-years\/4473591.html"} {"headline":"ኣስመራ: ንቀ\/ሚ ኢትዮጵያ ንምቕባል ምድላዋት ይግበር ኣሎ","content":"ኣብ ኣስመራ ርእሰ ከተማ ኤርትራ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ንምቕባል ምድላዋት ይካየድ ኣሎ። ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ባንዴራታት ክልቲኣን ሃገራትን ንምሕዝነት ህዝብታት ክልቲኣን ሃገራትን ዝገልጽን መልእኽትታት ከምኡ'ውን ነቲ መሪሕነት ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኹም መልእኽቲ ዝሓዙ ባነራትን ኣብ ጎደናታት ታ ከተማ ተሰቒሎም ኣለው። ካብ መንግስቲ ብዛዕባ'ቲ ምብጻሕ ኾነ ሰዓታት ምእታው እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ኣስመራ ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ዝተወሃበ ሓበሬታ የለን። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8A%95%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%8B%E1%8B%8B%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8C%8D%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%88%8E\/4471979.html"} {"headline":"ብሓይልታት ጸጥታ ተወሲዶም ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ውልቀሰባት ጉዳዮም ክርአ ስድራቤት ይሓቱ","content":"ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ብሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ተጨውዮም ዝተወስዱን ኣበይ ከምዝኣተው ዘይተፈልጡን ዜጋታት ጉዳዮም መፍትሒ ክወሃቦ ስድራ ቤታት ይሓቱ ኣለው። ኣርባዕተ ኣወዳት ኣሕዋታ ቅድሚ 24 ዓመታት ብሓይልታት ፀጥታ \/ደሕንነት\/ ከምዝተወስዱ ዝገለፀት መንእሰይ ንቀዳማይ ሚንስትር ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ጣልቃ ክኣትው ተማሕፂና። ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ብውልቅን ብጉጅለን ጥርዓናት ናይ ምርኣይ መሰል እንተሃለወና’ዃ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ግን ዛጊድ ኣይቀረብልናን ኢሉ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B2%E1%8B%B6%E1%88%9D-%E1%88%83%E1%88%88%E1%8B%8B%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8D%E1%8C%A0-%E1%8B%8D%E1%88%8D%E1%89%80%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%8A%A0-%E1%88%B5%E1%8B%B5%E1%88%AB%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%88%93%E1%89%B1\/4471209.html"} {"headline":"'ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይከበር!' ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ መንግስቲ ክልል ትግራይ","content":"‘ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ይጣሓስ ኣሎ ንዝበሎ ሕገ መንግስቲ ንክኽበር’ ጻውዒት ዘቕረበሉ መግለጺ ኣውጺኡ። እቲ ቤት ምኽሪ ‘መግለጺ ማዕርነት ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ዝኾነ ሰንደቕ ዕላማ ይቕደድ’ሎ፣ ይጓሓፍን ብዘይ ሕጋዊ ባንዴራ ይትካእን’ሎ፣ እናተራኸሰን እናተቓጸለን ምርኣይ’ ዕለታዊ ፍጻመ ኮይኑ ኣሎ’። ዜጋታት’ታ ሃገር ተንቀሳቂሶም ናይ ምስርሓን ሃብቲ ምፍራይን መሰሎም ይጣሓስ ኣሎ። ብሕቶ መንነትን ወሰን ምምሕዳርን ኣሳቢብካ ጎንጺ ምፍጣር፣ ሂወት ሰባት ምሕላፍ፣ ኣካል ምጉዳልን ንብረት ምብራስን’ውን ይኽሰት ኣሎ’ ይብል። ብዘይካ’ዚ ‘መእንተ ሰላም፣ ዴሞክራሲን ልምዓትን ህዝቢታት ኢትዮጵያ ኢሉ ከቢድ መስዋእትነት ዝኸፈለ ህዝቢ ትግራይ፣ ንስሙን ክብሩን ብዘይምጥን ኣገባብ መጥቃዕቲ ይፍጸሞ ከምዘሎ’ ጠቒሱ። እቲ መግለጺ ወሲኹ ‘ጉዳይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሰላም ንክዛዘም ድልየቱ ከምዝኾነ፣ እንተኾነ ትግባረ ውዕል ኣልጀርስ ግልጽነት ብዘለዎን ህዝቢ ብዘሳተፈን ኣገባብ ንክፍጸም’ ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-eritrea-tigray-region-statement-constitutional-order-is-violated\/4471028.html"} {"headline":"ጅቡቲ: ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ነጻ ናይ ንግዲ ዞባ ተመሪቑ","content":"ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ነጻ ናይ ንግዲ ዞባ ጅቡቲ ትማሊ ሓሙስ ተመሪቑ። ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ፕረዚደንት’ታ ሃገር ኢስማዒል ዑመር ገለ እዚ ናይ ትሕቲ ቅርጺ ፕሮጀክት ንቦታ ጅቡቲ ኣብ ዓለምለኸ ንግድ ክብ ዘብል’ዩ ክብሉ ንዒዶም። እዛ ኣብ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪን ናይ ስወዝ መትረብ ትርከብ ቀርኒ ኣፍሪቃዊት ሃገረ ጅቡቲ ኣብ 2017 ሰለስተ ሓደሽቲ ወደባት ዝኸፈተት ኮይና ብተወሳኺ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽባ መስመር ባቡር ምድሪ ምዝርጋሓ’ውን ይፍለጥ። ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ እቲ ዞባ ነጻ ንግዲ ጅቡቲ “ዓወት ምብራቕ ኣፍሪቃ’”ዩ ክብሉ ዝገለጹ ኮይኖም እዚ ርእይቶ ፕረዚደንት ሶማል ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ብዝተረኽቡ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያን ፕረዚደንት ኡጋንዳን’ውን ተቃሊሑ’ዩ። No media source currently available እቲ ምስ ቀንዲ ወደብ ጅቡቲ ዝተራኸበ ዞባ ነጻ ንግዲ ካብ ቀረጽ ነጻ ዝኾነ መተባብዒን ምሉእ ዝኾነ ናይ ሎጀስቲክ ሓገዝ ብምሃብ ንምስፋሕ ቁጠባ፡ ምፍጣር ስራሕን ናይ ወጻኢ ወፍሪ ንስሓብ ዝዓለመ ምኳኑ ተገሊጹ’ሎ። እቲ ትማሊ ሓሙስ ዝተመረቐ ፕሮጀክት ኣብ 240 ሄክታር መሬት ስፍሓት ዘለዎ ቦታ ምዃኑን ድሕሪ 10 ዓመት ምሉእ ንምሉእ ከምዝዛዘም ተሓቢሩ’ሎ። እቲ ዞባ ነጻ ንግዲ ብመሪሕነት ጅቡቲን አጋርነት ሰለስተ ናይ ቻይና ኩባንያታት ዝካየድ ምኳኑ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8B%9D%E1%8B%93%E1%89%A0%E1%8B%A8-%E1%8A%90%E1%8C%BB-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%8B%B2-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%8C%85%E1%89%A1%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%AA%E1%89%91\/4469272.html"} {"headline":"ፓርላማ ኢትዮጵያ ን3 ውድባት ካብ ዝርዝር ፈጠርቲ ራዕዲ ሓኺኹወን","content":"ቤት ምኽሪ ወከልቲ ኢትዮጵያ ንሓርበኛን 7 ግንቦትን፣ ግንባር ሓርነት ኦጋዴንን ግንባር ነጻነት ኦሮሞን ካብ ዝርዝር ጉጅለታት ፈጠራ ራዕዲ ሓኺኹዎም። እዚ ስጉምቲ’ዚ ንሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ዘጠናኽር ከምዝኾነ’ውን ተገሊጹ። ቤት ምኽሪ ካቢነ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ’ቶም ጉጅለታት ተነቢሩ ዝነበረ መጸውዒ ቅድም ኢሉ ኣልዒሉዎ’ዩ፣ ከምኡውን ናብ ዛዛሚ ውሳነ ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ኣቐቢሉ’ዩ። እቲ ፓርላማ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ ሰለስቲኦም ጉጅለታት ነቲ ካብ ዝርዝር ጉጅለ ፈጠራ ራዕዲ ንክሕከኹ ዝጽውዕ ረቒቅ ውሳነ ብሙሉእ ድምጺ ተቐቢልዎ’ሎ። እቲ ውሳነ ኣብ’ታ ሃገር ንዝራኣይ ዘሎ ሰላማዊ ኣገባብ ከጠናኽር’ዩ ዝብል እምነት ኣሕዲሩ’ሎ። ሓደ ኣባል ፓርላማ ምስ’ዚ ገምጋም’ዚ ዝጣዓዓም ሪኢቶ ሂቦም ኣለው። ‘ንፖለቲካዊ ባይታ ምስፋሕን ንዴሞክራሲ ምህዳስን ዝብል ዕላማ ዝሓዘ ስለዝኾነ ብመንጽር’ዚ ብሰላማዊን ሕጋዊን ኣገባብ ምምራሕን ንህዝቢ ድማ ሰላም ምፍጣር ዝካኣለሉ ባይታ እናጣጠሐ ስለዝኾነ ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ’ በሉ እቶም ኣባል ቤት ምኽሪ። እዚ ከም’ዚ’ሉ ከሎ፣ ፓርላማ ኢትዮጵያ ንናይ ቀጻሊ ዓመት በጀት ከጽድቖ’ዩ ዝብል ትጽቢት’ውን ኣሎ። 346.9 ቢልዮን ቅርሺ፣ ካብ’ቲ ናይ ሎም ዘበን ብ3 ቢልዮን ቅርሺ ዝወሰኸ ዓመታዊ በጀት’ዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-lifted-designation-of-terror-groups-7ginbot-onlf-olf\/4469489.html"} {"headline":"ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ምስ ሰብ ሞያ ኪነ-ጥበብን ሚድያን ትግራይ ተራኺቦም፡ተዛትዮም","content":"ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝካየድ ርክብ “ነባሪ ሰላም ዘየምጽእ እንተኾይኑ ሕጂ’ውን ገደል ይእቶ ዝብል’ዩ ኣብ ውድብ ዘሎ መርገጺ” ክብሉ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህውሓት አቶ አለም ገብረዋህድ ተዛሪቦም። “ኣብ መሰረታዊ ነባሪ ሰላም መፍትሒ ከይተረኽቦ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ክንቀሳቀስ’ዩ ክለዓል’ዩ ዝብል’ዉን ፈፂምና አይንቅበሎን” ክብሉ’ውን ገሊጾም። አቦ መንበር ህውሓት ዶ\/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤልን አቶ አለም ገብረዋህድን ምስ ስነ ጥበብዊያን ተወላዶ ትግራይ ኣብ ዘካየድዎ አኼባ ንዝቀረበሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ ነዚ ዝበሉ፡ ንዝሓለፈ 17 ዓመታት’ታ ሃገር ኣብ ዝነሃረ ለውጢ’ያ ኔራ ሕጂ ካልእ ሓድሽ ለውጢ ዝስምዓሉን ዝረአየሉን ምኽንያት ፈጺሙ የለን ክብሉ’ውን ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ኩነታት አቶ አለም ገብረዋህድ ተዛሪቦም ኣለው። እዞም ክልተ መራሕቲ ህውሓትን ሰብ ስልጣን ክልል ትግራይን ምስ ስነጥበበኛታት ትግራይ ዘካየድዎ ኣኬባ ዝምልከት አለም ፍሰሃ ካብ መቐለ ዝለኣኾ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8B%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%9E%E1%8B%AB-%E1%8A%AA%E1%8A%90-%E1%8C%A5%E1%89%A0%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%88%9A%E1%8B%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%9B%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%88%9D\/4469346.html"} {"headline":"ፕረ. ኢሰያስ ምስ ምስ ወራሲ ዙፋን ኣቡዳቢ ተራኺቦም: ተዘራሪቦም","content":"ናይ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ወራሲ ዙፋን አቡዳቢ ልኡል ሸክ መሓመድ ቢን ዛይድ ትማሊ ኣብ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ተራኺቦም: ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ንዘሎ ርክብ ንምሕያል ከምዝተዘራረቡ ተገሊጹ። ሚኒስትር ዜና አቶ የማነ ገብረ መስቀል ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽቶም ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ትምህርቲ: ጥዕና : ትሕቲ ቅርጺ: ሕርሻን ፈብሪካታትን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ወፍሪ ሃብቲ ኣብ ልዕሊ ዝውስኽሉ ከምዝተሰማምዑ ገሊጾም ኣለው። ብተወሳኺ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ቀረባ ዝተራእየ ዓለምለኸን ዞባዊን ምዕባለታት ኣመልኪቶም ኣብ ሓባራዊ ረብሓታት ከምዝተመያየጡ አቶ የማነ ገብረመስቀል ገሊጾም ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ኣብ ጸጥታ የመን ትግብሮ ወፍሪ ኣብ ኤርትራ ወታደራዊ መደበር ከምዘለው ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ስልጣት ዝሓዙ ሓድሽ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ዘለው ለውጢ ንፖለቲካ’ቲ ዞባ ቀይርዎ’ዩ ኢትዮጵያ ንኢኮኖሚያዊ ብዝምልከት ዝወሰደቶ ስጉምቲ ምስ ኤርትራ ንዝተገብረ ውዕል ሰላም ንምኽባሩን ቃል ምእታዋ ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ንፈለማ ጊዜ ዝለዓሉ ብርኪ ልኡኻት ናብ አዲስ አበባ ምልኣኻ ይዝከር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%95%E1%88%A8-%E1%8A%A2%E1%88%B3%E1%8B%AB%E1%88%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%88%E1%88%AB%E1%88%B2-%E1%8B%99%E1%8D%8B%E1%8A%95-%E1%8A%A0%E1%89%A1%E1%8B%B3%E1%89%A2-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A6%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A6%E1%88%9D\/4468042.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ አብይ አሕመድ ምስ ኢትዮጵያዊያን ንምዝርራብ ናብ ኣሜሪካ ክመጹ'ዮም","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ\/ር አብይ አሕመድ ድሕሪ 3 ሰሙን ናብ ኣሜሪካ ዘካይድዎ ጉዕዞ ዕላምኡ ምስ ነበርቲ ኣሜሪካ ዝኾኑ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ንምምይያጥ’ዩ ክብል ኣብ አዲስ አበባ ዝንሳቀስ ኮሚተ ኣፍሊጡ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ 9 ክልላት ተንቀሳቂሶም ምስ ህዝቢ ዝተመያየጡ ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ናብ ኣሜሪካ ከይዶም ምስ ዲያስፖራ ኢትዮጵያዊያን ንምዝርራብ ቀጻሊ ውጥኖም ምዃኑን ነዚ ጉዕዞ ንምትሕብባር ዝተመስረተ አብ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስትር ደኤታ አምባሳደር ብርቱኳን አያነው ዝምራሕ ህቡባት ሰባት ብወለኝትነት ዝሳተፍሉ ዘለው ኮሚተ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ይርከቡ’ዮም ተባሂሎም ካብ ዝግመቱ 3 ሚልዮን ኢትዮጵያዊያን እቶም 1 ሚልዮን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ከምዝርከቡ ዝገለጻ’ተን አምባሳደር: እቶም ቀዳማይ ሚንስትር አብዚ ናይ ኣሜሪካ ዑደቶም ምስ ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ ንምዝርራብ ቆጸራ ኣይሓዙን ኢለን።እቲ ዑደት ምስ ኢትዮጵያን ንምዝርራብ ጥራይ እዩ ክብላ’ውን ወሲኸን አረዲአን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A0%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A0%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%88%AB%E1%89%A5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%AD%E1%88%98%E1%8C%B9-%E1%8B%AE%E1%88%9D\/4468061.html"} {"headline":"መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ'ዚ ከ ናበይ?","content":"ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዴግ ንውዕል ኣልጀርስን ብይን ኮምሽን ዶብን ተቐቢሉ ንክትግብር ድሕሪ ዘሕለፎ ውሳነ፣ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ርክባት ተጠናኺሩ ከምዝቀጸለ ዝዝከር’ዩ። ብመሰረት’ዚ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ኣዲሳበባ በጺሑ ተመሊሱ፣ ልኡኽ ኢትዮጵያ ድማ ናብ ኣስመራ ክገይሽ ይኽእል’ዩ ዝብል ቅድመ ግምት ኣሎ። ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ናብ ንቡር ንክምለስ እንታይ ክግበር ኣለዎ? እንታይ ዕንቅፋት’ከ ከጓንፍ ይኽእል? ስለምንታይ’ዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንውዕል ኣልጀርስ’ውን ጠቂሱ? ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ’ዚ ቀረባ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ክነቕፉ ከለው ‘ምስ ኤርትራ ወጥሪ ከምዝቕጽልን ዘይሕጋዊ እገዳ ከምዝዕቀብን ምስራሕ ስለዝኾነ፣ ነቲ ብዘይምኽኒት ዘባርዕዎ ትርጉም ዘይብሉ ግጭት ዶብ ተንጠልጢሉ ከምዝጸንሕ ንምግባር፣ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ቅንያት ከጋውሕዎ ዝፈተኑ ‘ሕራይ…ግን’ ዝዓይነቱ ጣቋ መርኣይኡ’ዩ ነይሩ’ ከምዝበሉ ዝዝከር’ዩ። ንመደረ ፕረዚደንት ኢሳያስን ካልኦት ሕቶታትን ተመርኹስና ምስ ክልተ ኣጋይሽ ተዘራሪብና ኣለና። ዶ\/ር ገላዴዎስ ኣርኣያ ካብ ኒውዮርክ ኣሜሪካ፣ ዶ\/ር በርሀ ሃብተ-ጊዮርርጊስ ካብ ኣስመራ ኤርትራ ኣጋይሽ በትረ ስልጣን ኮይኖም ኣለው። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/eritrea-ethiopia-peace-process-border-crisis-prime-minister-abyi-ahmed-president-isaias-afewerki\/4467864.html"} {"headline":"ኣብ መንጎ ኢትዮጵያዊያን ሓረስቶትን ሱዳናዊያን ዕጡቓትን ኹናት ምክያዱ ነበርቲ ገሊጾም","content":"ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን “ደለሎ ቁጽሪ 4” ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ቦታ ሕርሻ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያዊያን ሓረስቶትን ዕጡቓት ሱዳን ኹናት ምኽያዱ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ተዛሪቦም። ካብ ሆስፒታል ዝተረኽበ ሓበሬታ ኸአ ዝቆሰሉ ሰባት ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ይመጹ ከምዘለውን በቲ ኹናት ዝሞቱ ሰባት ከምዘለው’ውን ይሕብር። ኣብ ደቡብ ጎንደር ከተማ ገንደወሃ ዝርከቡ ድምጺ ኣሜሪካ ብቴሌፎን ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ ምስ ሱዳን ካብ ዘዳውብ ቦታታት ሕርሻ “ደለሎ ቁጽሪ 4” ዝበሃል ቦታ ዝነብሩ ሓረስቶት ካብ ወገን ሱዳን መጥቓዕቲ ከምዝኸፈትሎምን ድሒሩ ውግእ ምጅማሩን ገሊጾም። ኣብ ከተማ ገንዳውሃ ሆስፒታል መተማ ምስቶም ዝቆሰሉ እየ ዘለኹ ዝበለ ሓደ ውልቀሰብ ኣብ ደለሎ ቦታ ሕርሻ ከምዘለዎምን እቲ ግጭት ኣብቲ “ደለሎ ቁጽሪ 4 “ ዝተባህለ ቦታ ዘጋጠመ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8E-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%93%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%89%B6%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%93%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%95%E1%8C%A1%E1%89%93%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%B9%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%8B%AB%E1%8B%B1-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/4465298.html"} {"headline":"ቀይሕ ወርሒ 17 ሬሳታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምርካቡ ኣፍሊጡ","content":"ቀይሕ ወርሒ እቲ ዝተረኽበ ሬሳታት ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ብዓርቢ ዝጠሓለት መርከብ ክከውን ከምዝክእል ብምግላጽ ኣብ ገማግም ታጁራ ዝተባህለ ከባቢ ትማሊ ሶኑይ ከምዝተረኸበ ኣፍሊጡ’ሎ። ሓለዋ ባሕሪ ብወገኑ ድሕሪ ብዓርቢ ዘጋጠመ ምጥሓል ስደተኛታት ዝጸዓንት መርከብ ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ኣስታት 100 ስደተኛታት ከምዘለው ይሕብር። No media source currently available ወሃቢ ቃል ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣዩብ ጋሲም ካብቲ ሓደጋ 14 ስደተኛታት ጥራይ ምድሓኖም ብምግላጽ ብዛዕባ ብዝሒ እቶም ኣብታ መርከብ ተጻዒኖም ዝነበሩ ስደተኛታት ኮነ ዜግነት እቶም ዝደሓኑ ግን ብርግጽ ክሕብር ከምዘይፈቕድ ንAFP ሓቢሩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80%E1%8B%AD%E1%88%95-%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%88%92-17-%E1%88%AC%E1%88%B3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%88%E1%88%9B%E1%8C%8D%E1%88%9D-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%88%8A%E1%89%A5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%AB%E1%89%A1-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4465050.html"} {"headline":"ባህርዳር፡ ንደገፍ ቀ\/ሚ አብይ አሕመድ ሰልፊ ተኻይዱ","content":"ትማሊ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ከተማ ባህርዳር ንደገፍ ቀዳማይ ሚንስትር አብይ ኣሕመድ ዓብይ ናይ ደገፍ ሰልፊ ተኻይዱ። ብዘይገለ ጎስጋስን ድፍኢትን ናብቲ ዓብይ ስታድዮም ባህርዳር ህዝቢ ብንግሆ’ዩ ውሒዙ ዝበለ ሪፖርተር ድምጺ ኣሜሪካ መለስካቸው አምሃ ህዝቢ ነቲ ስታድዮም መሊኡ ከምዝነበረን ኣመሓዳር’ቲ ክልል አቶ ገዱ አንዳርጋቸው ዝተፈላለየ ዕዱማትን ስበ ስልጣን ዝተረኸቡ ክኾኑ ከለው እቶም ኣመሓዳሪ’ቲ ክልል ንመንእሰያት ሓይሊ ለውጢ ዝኾንኩም መንእሰያት ክብሉ ጸዊዖም። ንሶም ብተወሳኺ “ ኣብታ ሃገር ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ኣንጻራዊ ሰላም ምዕሳሉን ህዝብታት ሓደ ዝኾነሉ ጊዜ ከምዝርከቡ” ጠቂሶም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%AD%E1%8B%B3%E1%88%AD-%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%8C%88%E1%8D%8D-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A0%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A0%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/4463809.html"} {"headline":"ው\/ሕ\/ሃ ኣብ ትግባረ ብይን ዶብ ክተሓጋገዝ ድልው ምህላው ኣፍሊጡ","content":"ላዕለዋይ ጉጀለ ልኡኽ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ምብጽሑ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ንቡር ዘኽእል ፈላማይ ጭቡጥ ስጉምቲ እዩ ክብሉ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ገሊጾም። እቶም ዋና ጸሓፊ ብተወሳኺ: ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ከሪሩ ዝጸንሐ ውጥረት ንምህዳእን ንነዊሕ ዝቐጸለ ምስሕሓብ መፍትሒ ንምርካብን ዝግበር ጻዕሪ ዲፕሎማሲ ኣብ ሙሉእ እቲ ዞባ ኣወንታዊ ጽልዋ ክህልዎ ምዃኑ ምግላጾም ወሃቢ ቃሎም ኣፍሊጦም። ክልቲኤን ሃገራት ንብይን ዶብ ኣብ ዝትግብራሉ እዋን: ሓገዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የድሊዩ ኢሎም ኣብ ዝኣመኑሉ እቲ ውድብ ክተሓጋገዝ ድልው ምህላው ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶን ዮ ጉተረዝ ኣፍሊጦም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8D-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%88%A8-%E1%89%A5%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8B%B6%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%89%B0%E1%88%93%E1%8C%8B%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8B%B5%E1%88%8D%E1%8B%8D-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4460800.html"} {"headline":"ብሪጣንያ ኣብ ናይ አዲስ አበባ መጥቓዕቲ ንዝካየድ መርመራ ንምስታፍ ድልውነታ ገሊጻ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ብሪጣንያ ኣምባሳደር ሱሳና ሞረሄድ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ሰልፊ ድጋፍ ንቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ዝምልከት ዝካየደ መርመራ ንምስታፍ ሃገረን ድልውቲ ምዃና ሓቢረን። ንሰን ነዚ ዝገለጻ ምስ በዓል ስልጣን ጉዳያት ወጻኢ ፕሮፌሰር ኣፈወርቂ ካሱ ዝተዘራረባሉ እዋን’ዩ። ሃገረን ኣብቲ ዝኻየድ መርመራ ንኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ድልውቲ ምዃና ገሊጸን: ንግዳያት ድማ መልእኽቲ ጽንዓት ይሃብኹም ኣሕሊፈን። እቲ ኣብ መንጎ ናይ ክልቲኣን ሃገራት ሰበ ስልጣን ዝተኻየደ ዘተ ነቲ ብቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ዝተአታተው ዘሎ ለውጢ ብሪጣንያ ከምትደግፍ ንምግላጽ ኾይኑ ኢትዮጵያ ንተዋጋእቲ ወገናት ደቡብ ሱዳን ንምሽምጋል ተኻየዶ ዘሎ ጻዕርታት’ውን ከምዝመዓዳ መሓውራት ዜና ውሽጢ ሃገር ሓቢረን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%88%AA%E1%8C%A3%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8A%AB%E1%8B%A8%E1%8B%B5-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%8D%8D-%E1%8B%B5%E1%88%8D%E1%8B%8D%E1%8A%90%E1%89%B3-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BB\/4460715.html"} {"headline":"ኣዛዚ ሰራዊት ኦብነግ ምፍትሖም ዓበይቲ ዓዲ ይገልጹ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሲርዎ ዝጸንሓ ኣዛዚ ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ዓብደልከሪም ሙሳ ትማሊ ከምዝተፈትሓ ዓበይቲ ዓዲ’ቲ ከባቢ ብምጥቃስ ድምጺ ኣሜሪካ ቋንቋ ሶማል ሓቢሩ። ቐልቢ ዳጋ ብዝብል ስም ዝፍለጥ አዛዚ ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ዝተፈትሑ አብ አዲስ አበባ ምዃኑ ሱልጣን መሓመድ ዓሊ ዝተባህሉ ሽማግለ’ቲ ከባቢ ገሊጾም። ቐልቢ ዳጋ ንክፍታሕ ፈደራል መንግስቲ ኣዚዙ ሎሚ አብ ኢድና ኣሎ ክብሉ ንሶም ሓቢሮም ኩነታት ጥዕንኦም ጽቡቅ ከምዘሎን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ከምዝጸንሑን ዝሓበሩ ሱልጣን ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ከምዝተዘራረቡን ገሊጾም። ብካልእ ወገን ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ወሃቢ ቃል ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ዓብደልቓድ ሓሰን ሄርሞጌ ብዛዕባ ምፍታሕ ቐልቢ ዳጋ ግንባሮም ዝተረጋገጸ ሓበሬታ ከምዘይብሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብርግጽ ፈቲሕዎ እንተኾ ይኑ ድማ ንዓበይቲ ዓዲ ክህቦም ኣይነበሮን ስለዚ ሓላፍነት ድሕነቶም ኣብ ኢዱ እዩ ኢሎም። ንሶም ብተወሳኺ ቐልቢ ዳጋ ምስ ኣብ መዓስከር ዳዳብ ዝርከቡ ስድራ ቤቶም ኽ ጽንበሩ ድልየት ግንባሮም ምዃኑ ገሊጾም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%8B%9B%E1%8B%9A-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A6%E1%89%A5%E1%8A%90%E1%8C%8D-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%96%E1%88%9D-%E1%8B%93%E1%89%A0%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%8B%93%E1%8B%B2-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B9\/4460669.html"} {"headline":"ሻምፒዮን ቕድድም ብሽክለታ ኤርትራ 2018 ተኻይዱ","content":"ሻምፒዮን ቕድድም ብሽክለታ ኤርትራ ዝሓለፈ ሰንበት ሰነ 29 ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ተኻይዱ። ኣብ`ቲ ካብ ሓሙሽተ ሃገራት ዝመጹ 11 ፕሮፈሽናል ተቐዳደምቲ ዝተሳተፍዎ ውድድር፡ ኤርትራዊ ኣባል ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ጋንታ ዳመንሽን መርሃዊ ቕዱስ ሻምፒዮን ኤርትራ 2018 ብምዃን ናይ ፈለማ ዓወቱ ኣመዝጊቡ። ካብ ደቀንስትዮ ድማ፡ ዝናር ፍጹም ካብ ጋንታ ዓራግ ዝቐልጠፈት ተቓዳዳሚት ተባሂላ ተሸሊማ`ላ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%BB%E1%88%9D%E1%8D%92%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%89%95%E1%8B%B5%E1%8B%B5%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%88%BD%E1%8A%AD%E1%88%88%E1%89%B3-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-2018-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/4460213.html"} {"headline":"ነበርቲ ኣስመራ ብዛዕባ ሓዲሽ ምዕባለ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን እንታይ ይብሉ?","content":"ነበርቲ ኣስመራ ብዛዕባ ሓዲሽ ምዕባለ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምዒቶም ገሊጾም ኣለዉ። ሓደ ካብኦም ፍሉጥ ስነ-ጥበባዊ ሳሙኤል ገብረኣዶናይ`ዩ። ርእይቶታት ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡ No media source currently available ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኻት ኤርትራ ናብ አዲስ አበባ ዝኸደ ኢትዮጵያ ንስምምዕ አልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶብን ምሉእ ንምሉእ ከምዝተቐበለቶን ከምትትግብሮን ድሕሪ ምግላጻ’ዩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/4459048.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ አብይ አሕመድ ናብ ከተማ ሰመራ በጺሖም","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ አብይ አሕመድ ሎሚ ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራ ምብጻሕ አካይዶም ምስ ህዝቢ’ቲ ክልል ተዘራሪቦም ኣለው። ኣብቲ ቀ\/ሚ አብይ ምስ ኣመሓደርቲ’ቲ ክልል ልዝብ ዘካይድሉ ዝነበረ እዋን እቶም ኣመሓደርቲ ንሕቶና ብግቡእ ኣየቕርቡልናን እዮም ስለዚ ባዕላትና ከነቕርብ ዝብሉ መንእሰያት ኣብ ኣፍደገ’ቲ ልዝብ ዝተኻየደሉ አዳራሽ ምስ ፖሊስ ምግጫዎም ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ሓቢሮም። እንተኾነ ግን ሓደ ናይቲ ክልል ኣመሓዳሪ እቲ ዘተ ብሰላም ምዝዛሙን እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ምምላሶምን ብምግላጽ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ደገ’ቲ ህንጻ ተኻይዱ ዝተባህለ ግጭት ኣፍልጦ ከምዘይብሎም ሓቢሮም ኣለው።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A0%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A0%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%B0%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%89%A0%E1%8C%BA%E1%88%96%E1%88%9D\/4458835.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ፈተነ ምውጻእ ዘይተጻረየ ነዳዲ ብወግዒ ጀሚራ","content":"ኢትዮጵያ ሎሚ ፈተነ ምውጻእ ዘይተጻረየ ነዳዲ ብወግዒ ጀሚራ። ኢትዮጵያ ነዳዲ ዘይቲ ምውጻእ ሎሚ ከምትጅምርን ምንዳይ ነዳዲ ዘይትን ላምባን ፍረ ከምዘፍረየ ቀዳማይ ሚንስትር ዶ\/ር አብይ አሕመድ ትማሊ ገሊጾም ኔሮም። ብኩባንያ ቻይና ፖሊጂሲኤል ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማልያ ክግበር ዝጸንሓ ዳህሳስ ነዳዲ ዘይትን ላምባን ፈረ ከምዝተረኽቦን ኢትዮጵያ ናብ ወጻኢ ምሻጥ ከምትጅምርን ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ትማሊ አፍሊጦም’ዮም። ንሶም ዝህልዎ ረብሓ’ውን ገሊጾም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8D%88%E1%89%B0%E1%8A%90-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%8C%BB%E1%8A%A5-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%8C%BB%E1%88%A8%E1%8B%A8-%E1%8A%90%E1%8B%B3%E1%8B%B2-%E1%89%A5%E1%8B%88%E1%8C%8D%E1%8B%92-%E1%8C%80%E1%88%9A%E1%88%AB\/4458815.html"} {"headline":"“መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ቀረባ ክራኸቡ’ዮም” ሚ. ጉ. ወ. ኢትዮጵያ","content":"ናይ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚንስር ዶ\/ር አብይ አሕመድን ኣብ ቀረባ ክራኸቡ ከምዝኽእሉ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶ\/ር ወርቅነህ ገበየሁ አፍሊጦም። ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሰለስተ መዓልታት ታሪኻዊ ምብጻሕ ዝገበረ ላዕላዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ ብዝምልከት መግለጺ ዝሃበ ሚንስተር ወጻኢ ኢትዮጵያ ወርቅነህ ገበየሁ፡ እቲ ምብጻሕ ኣብ`ዚ ዘብቅዕ ኣይኮነን፡ ኣብ መጻኢ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ዝራኸብሉ ኩነታት ክመቻቸ`ዩ፡ ዝምድና ናብ ንቡር ንምምላስ `ውን ብተኸታታሊ ክስርሓሉ`ዩ ኢሉ። “እዚ ምብጻሕ ኣብዚ ጥራይ ዘብቕዕ ኣይኮነን። ኣብ መጻኢ መራሕቲ ክልቲኣን ሃገራት ዝራኸብሉ ኩነታት ክዳለው እዩ። እዚ’ውን ኣብ ቀረባ ጊዜ ክከውን’ዩ ኢልና ኢና ንሓስብ። ብተወሳኺ’ውን ካልኦት ጉዳያት ናብ ንቡር ኣብ ምምላስን ሓቢርና ኣብ እንጉዓዘሉ ኩነታት’ውን ንሰርሖም ስርሓት ብፍላይ ክልቴና ሚንስትራት ጉዳያት ወጻኢ ኣበርቲዕና ክሰርሕ ኢና።” ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ ብሚንስተር ወጻኢ ዕስማን ሳልሕን ፕረሲደንታዊ ኣማኻሪ የማነ ገብረኣብን ዝተመርሐ ጉጅለ ኣብ ኣብ ቤት-ጽሕፈቱ ኣብ ዝተፋነወሉ እዋን፡ ናብ ፕረሲደንት ኢሳያስ ደብዳበ ዝለኣኸ ክኸውን ከሎ፡ ህያብ `ውን በቶም ልኡኻት ጌሩ ሰዲድሉ። ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኻት ኤርትራ ናብ አዲስ አበባ ዝኸደ ኢትዮጵያ ንስምምዕ አልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶብን ምሉእ ንምሉእ ከምዝተቐበለቶን ከምትትግብሮን ድሕሪ ምግላጻ’ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%80%E1%88%A8%E1%89%A3-%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%8A%B8%E1%89%A1-%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%88%9A-%E1%8C%89-%E1%8B%88-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/4458796.html"} {"headline":"'ኢትዮጵያ ጽባሕ ሓሙስ ምውጻእ ነዳዲ ብዕሊ ከምትጅምር' ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ኣፍሊጦም","content":"ኢትዮጵያ ካብ ጽባሕ ሓሙስ ጀሚሩ ነዳዲ ምውጻእ ከምትጅምር ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ሎሚ ገሊጾም። እቶም ቀ\/ሚ ሎሚ ረቡዕ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግልጺ ‘ፖሊ ጂሲኤል ዝተባሃለ ኩባንያ ቻይና ንዓመታት ኣብ ልዕሊ ዘይተጻረየ ነዳዲን ላምባን ኣብ ዳህሳስ ተዋፊሩ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብሕልፊ ኣብ ልዕሊ ላምባ ዝተገብረ ኣለሻ ኣዕጋቢ ኮይኑ ስለዝተረኸበ፣ ኣብ ሓደ ዓመት ክሳብ ሓደ ቢልዮን ዶላር ዘርክብ ሰደድ ክህሉ ምኳኑ’ ገሊጾም። እቲ ተረኺቡ ዘሎ ዕቑር ጸጋ ላምባ ምስ’ቲ ኢትዮጵያ ዘለዋ ጥቅሉል ጸጋ ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ዝታሓተ ከምዝኾነን ዝያዳ እንተተሰሪሑ ዝሓሸ ውጽኢት ክርከብ ከምዝኽእል’ውን ሓቢሮም። ጽባሕ ፈተነ ፍርያት ዝግበረሉ ግና ዘይተጻረየ ነዳዲ ከምዝኾነን እዚ ድማ ንኢትዮጵያ ፈላማይን ውጽኢቱ ጽባሕ ንሪኦን’ዩ ዝኾን ኢሎም ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ’ ብመሰረት መንግስታዊ ሚድያ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-will-start-producing-oil-and-natural-gas-prime-minister-abyi-ahmed\/4457421.html"} {"headline":"ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ አዲስ አበባ ምእታው ከምዘሓጎሶ ዋና ጸሓፊ ኢጋድ አፍሊጦም","content":"ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ርክብ ድሕሪ ምቁራጹ ንፈለማ ልዝብ ዝለዓለ ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ አዲስ አበባ ምእታው ከምዘሓጎሶ ዋና ጸሓፊ በዓል ስልጣን ልምዓት በይነ መንግስታት ሃገራት ምብራቅ ኣፍሪቃ ማሕቡብ መዓሊም አፍሊጦም። ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ አብይ አሕመድ ዝወሰድዎ ተበግሶ ‘ተባዕ’ ክብሉ ዝጸውዕዎ ክኾኑ ከለው ብዙሕ ዝተአሳሰረን ጸጋታት ዘለወን ክልቲኣን ጎረባብቲ ሃገራት ናብዚ ፈላማይ ስጉምቲ ከምዘብጸሓን እቶም ዋና ጸሓፊ ኢጋድ ኣብቲ ዘውጽእዎ መግለጺ ገሊጾም። “እቲ ልዝባት ኣብ መንጎ ህዝብታት ኢትዮጵያ ኤርትራን ብሓፈሻ ኸአ ኣብቲ ዞባ ዝነአድ ፈረ ከምዝርከቦ እምነት ኣምባሳደር መዓሊም’ዩ” ዝበለ’ቲ መግለጺ እቲ ልዝባት ብዕውት ንክኻየዱ ኢጋድ ክገብሮ ዝከአል ኹሉ ንምግባር ውፉይ’ዩ ኢሉ’ሎ። እቲ መግለጺ ወሲኹ ናይዞም ሓደሽቲ ለውጢታት ብዝለዓለ ብርኪ ተረባሕቲ ንዝብልዎም ህዝብታት ክልቲኣን ሃገራት እንዃዕ ሓጎስኩም ኢሉ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%88%9D%E1%8A%A5%E1%89%B3%E1%8B%8D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%93%E1%8C%8E%E1%88%B6-%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%8A-%E1%8A%A2%E1%8C%8B%E1%88%AD-%E1%8A%A0%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A6%E1%88%9D\/4457298.html"} {"headline":"ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዘፃሪ ጉጅለ ናብ ክልል ኣምሓራ ክልእኽ እየ ኢሉ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ፍሉይ ዞባ ከምሴ ኣብ ባቲን ካልኦት ከተማታትን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ንዝወረደ መጥቓዕቲ ዘፃሪ ጉጅለ ናብቲ ከባቢ ከምዝልኽ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣፍሊጡ።ተቓዋሚ ውድብ ዓረና ትግራይ እውን ነቲ መጥቓዕቲ ዝኹንን መግለፂ ኣውፂኡ’ሎ።ብተመሳሳሊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ነቲ ጉዳይ ዘፃርን ዘረጋግእን ጉጅለ ናብቲ ከባቢ ልኢኸ ኣለኹ ኢሉ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ፍሉይ ዞባ ከምሴ ብፍላይ ድማ ኣብ ባቲ፣ከምሴ፣ሮቢትን ካልኦት ከተማታትን ዝሓለፈ ቀዳም 16 ሰነ 2010 ዓ\/ም ብሄር መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ተፈፂሙ’ሎ።ጉድኣት ዝወረዶም፣ንብረቶም ዝተዘረፎም ዝዓነዎምን ከምኡ እውን ዝተመዛበሉ ኣለው። ሓላፊ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ መጥቓዕቲ ምፍፃሙ ከምዝፈልጡ ብምግላፅ መንግስቶም ብቐረባ ይከታተሎ ኣሎ ኢሎም። በዝሒ ተመዛቢሎም ናብ ትግራይ ዝመፁ በቢከባቢኡ ምዝገባ እናተኻየደ ብምዃኑ ተፃሪዩ ምስተወድአ ንህዝቢ ብወግዒ ክግለፅ እዩ ኢሎም ኣቶ ረዳኢ። ተቓዋሚ ውድብ ዓረና እውን ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማታት ባቲ፣ከምሴን ካልኦትን ከተማታት ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ብሄር መሰረት ዝገበረ ብሰንኪ ዝበሎ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ዝወረደ ጉድኣት መነወሪ ተግባር ካብ ምዃን ሓሊፉ መንቀሊ ዝኸፍአ ጥፍኣት እውን ዝኸውን ከቢድ ገበን እዩ ክብል ሎማዕንቲ መግለፂ ኣውፂኡ። ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን መንግስቶም ነዚ ዘፃርን ዘረጋግእን ሓደ ጉጅለ ናብ ከባቢ ባቲ ምልኣኹ ገሊፆም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-reactions-to-attack-on-tigrians\/4457142.html"} {"headline":"139 ኤርትራዊያንን ሶማልያዊያን ስደተኛታት ኢጣልያ ኣትዮም","content":"ኢጣልያ ስደተኛታት ኣብ ክንዲ ሊብያን ማእከላይ ባሕሪን ብምቁራጽ ሓደገኛ ጉዕዞ ብምፍጻም ኢጣልያ ምብጻሕ ብሕጋዊ መንገዲ ናብ ሃገራ ዝአትውሉ መንገዲ ብምድላው 139 ስደተኛታት ካብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ሎሚ ረቡዕ ተቐቢላ’ላ። እቶም ስደተኛታት ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ዝኸዱ ኮይኖም 62 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ከምዝርከብዎም’ውን ተፈሊጡ’ሎ። ነብያት ገብረ እግዚኣብሄር ሓንቲ ካብቶም ስደተኛታት ኮይና “ ንህይወተይ ኣብ ሓደጋ ዘእትው ተደጋጋሚ ፈተናታት አኻይደ’የ። ዳግማይ ብሊብያ አቢለ ኣውሮጳ ናብ ምብጻሕ ፈተነ አየካይድን። ሕጂ ንክሓስቦ ዘጸግመኒ ኣብ አካላተይን ኣእምሮይን በሰላ ዝገድፍ ፍጻሜታት አጋጢሞኒ እዮም።ስለዚ ዳግማይ ብሊብያ አቢለ አውሮጳ ንምብጻሕ ኣይፍትንን” ትብል። ጠዓመ ሃይለበርሳ ምስ ኣርባዕተ ደቁ ንኢጣልያ ዝመጸ ኮይኑ ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት ን10 ዓመታት ከምዝጸንሓ ይገልጽ። “ካብ ሃገረይ ወጺኣ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ቅድሚ 10 ዓመታት እየ መጺኣ። ካብቲ መዓስከር ክወጽእ ኮነ ካልእ ተስፋ ኣይነበረንን ስለዚ ምስጋነይ ንመንግስቲ ኢጣልያን ናይ ኢጣልያ ካቶሊክ ጉጅለታትን የብጽሕ” ኢሉ። ካብ የካቲት 2016 ጀሚሩ ኣስታት 1,627 ስደተኛታት በዚ መንገዲ ኣብ ኢጣልያ ምጥያሶም ይፍለጥ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%8C%A3%E1%88%8D%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%88%9D\/4456968.html"} {"headline":"\"ኤርትራን ኢትዮጵያን በሪ ሰላም ተኸፊቱለን ኣሎ\" ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ","content":"ቀዳማይ ሚንስተር አብይ አሕመድ ትማሊ ምሸት ንካብ ኤርትራ ዝመጸ ልኡኽ ናይ ድራር እንግዶት ኣብ ዘዳለውሉ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ: ንዝተገብረሎም ድሙቕ ኣቀባብላ ድሕሪ ምምስጋን \"ክልቲአን ሃገራት: ኤርትራን ኢትዮጵያን ሎሚ መዓልቲ በሪ ናይ ሰላም ተኸፊቱልና ኣሎ\" ክብሉ ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ዝተገብረሎም ናይ መቐበሊ ድራር እንግዶት ገሊጾም። No media source currently available ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ብተወሳኺ \"እዚ ተኸፊቱ ዘሎ ናይ ሰላም ናይ ልምዓት ክኾነልና ድማ ንምነ\"ድሕሪ ምባል \"እቲ ሰላም ሕጂ መጺኡ ደው ዝብል ዘይኮነ ዘለኣለማዊ ሰላም ክኾነልና ድማ ንምነ\" ኢሎም። ሚኒስተር ዑስማን ብዘይካ'ዚ \"ክልተ ህዝብታት ዘይኮነ ሓደ ህዝቢ ኢና \"ድሕሪ ምባል \"ብሓባር'ውን ክንነብር ንደሊ ኢና። ዶብ ዝጋርደና ዓይነት ክኸውን ኣይክእልን እዩ \" ክብሉ ኣብቲ ናይ ድራር እንግዶት ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ገሊጾም። ከምቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝረኣዩዎ ናይ ሓጎስ ስምዒት ኣብ ኣስመራ'ውን ተመሳሳሊ ስምዒት ከምዘሎ ብተወሳኺ ሓቢሮም። ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ወገኖም \"ሓደ ዘሕዝን ምዕራፍ ታሪኽ ዓጺና ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ኣቲና ዝብል እምነት ኣሎና\" ኢሎም። እዚ እምነት ዝምርኮሶ ድማ \"ኣዚ ዝተጀመረ ጉዕዞ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ናይ ክልቲኡ ሃገራት ናይ ክልቲኦም መራሕቲ ቆራጽ ውሳነን ድሌትን ብምዃኑን እዩ ክብሉኣቶ የማነ ገብረኣብ ኣብቲ ኣጋጣሚ ጠቒሶም። ኣብቲ ዝተገብረ ናይ ድራር እንግዶት \"ኢትዮጵያውያን ዘምሕረልኩም ፍቕሪ ጥራይ እዩ\" ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሰላምን ሰናይን መልእኽቶም ስነጥበባውያን ኣብ ዝመጽእ መስከረም ኣብ ዝግበር በዓል ሓድሽ ዓመት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራ ስለዝኾነ ኣቐዲሞም ምድላው ክገብሩ ኣዘኻኺሮም። ኣብ ባጽዕ ምዝዋር ንዝናፈቖም ኢትዮጵያውያን ድማ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ስራሕ ከምዝጀምር ብምግላጽ ክዳለውን ካብ ኤርትራ ንዝመጹ ኣሕዋትን ኣሓትን ድማ \"እንቋዕ ደሓን መጻእኩም\" ኢሎም ክቕበሉ ኣዘኻኺሮም። \"ምስ ኤርትራውያን ኣሕዋትና ዘዋጽኣና ፍቕሪ ጥራይ እዩ\" ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ \"እቲ ጽልኢ ፈቲናዮ ኢና ብኽልቲኡ ወገን ኣኽሳሪ እዩ\" ድማ ኢሎም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%A0%E1%88%AA-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%8D%8A%E1%89%B1%E1%88%88%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%8E-%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%88%E1%8C%BB%E1%8A%A2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%8B%91%E1%88%B5%E1%88%9B%E1%8A%95-%E1%88%B3%E1%88%8D%E1%88%95\/4456787.html"} {"headline":"መኢኣድን መድረኽን ንመጥቓዕቲ ቦምብ አዲስ አበባ ብትሪ አውጊዞም","content":"ፓርቲ ናይ ኢትዮጵያ መላእ ሓድነትን ፓርትን መድረኽ ፈደራላዊ ዲሞክራሲያዊ ሓድነትን ቀዳም አብ አዲስ አበባ ንቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ደገፍ ንምሃብ ኣብ ዝተጸወዓ ሰልፊ ዝተኻየደ ናይ ቦምብ መጥቓዕቲ አውጊዞም። መኢአድ እዛ ዕለት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት መዓልቲ እቶም ዝሞቱን ዕለት ሓድነትን ኮይና ክትዝከር’ያ ክብል ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ። ሰማያዊ ፓርቲ ብወገኑ ሉአላዊነት ኢትዮጵያን ምፍቃድ ህዝባን ብድልዱል ትካላት ምምስራት የድልይ’ዩ ኢሉ’ሎ። ክልቲኦም ፓርቲታት ነዚ ዝገለጹ ሎሚ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኮይኑ እቲ ተግባር አካይዳ ናይቶም ሓድሽ ቀዳማይ ሚንስትር ዘይጠዓሞም ወገናት ኣለው እቲ ዝተፈጸመ ተግባር’ውን ወልፊ ግብረ ሽበራ ዝሓዞም አካላት’ዮም ክብል’ውን መኢአድ አትሪሩ ብምንቃፍ ናብ መንግስቲ ሕቶታት አቕሪቡ’ሎ። አቶ ይልቃል ደሳለኝ ናይቲ ውድብ ሓላፊ ጉዳይ መንእሰያት’ዮም። “እቲ ጸገም ቅድሚ ምፍጣሩ ስርሖም ብዝግባእ ዘይፈጸሙን ብሸለልትነቶም ንዝተፈጥረ ጸገም ጸጥታ ምክንያት ዝኾኑ ሓለፍቲ ጸጥታ መንግስቲ ዝጀመሮ ምርመራ አሓይሉ ክቅጽል ንሓትት።” ብካልእ ወገን ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት እውን ተመሳሳሊ መግለጺ አውጺኡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%A2%E1%8A%A3%E1%8B%B5%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%8A%BD%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%89%A6%E1%88%9D%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%89%A5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%8A%A0%E1%8B%8D%E1%8C%8A%E1%8B%9E%E1%88%9D\/4455730.html"} {"headline":"ኢጣልያ ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓን ናይ ሊብያ ሓላፍነት’ዩ ክትብል ስደተኛታት ዝጸዓና መራኽብ ምቕባል ትነጽግ","content":"ኢጣልያ ብግብረ ሰናይ ትካላት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ንዝደሓኑ ስደተኛታት ዝጸዓኑ ጀልባታት ኣብ ወደባታ ከይዓርፉ ዘሕለፈቶ ውሳነ ቀጺላቶ’ላ፡ ብተወሳኺ ግብረ ሰናይ ትካላት ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ናይ ምድሓን ስርሒት ደው ከብላን እቶም ስደተኛታት ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ክድሕኑ ክገድፍዎም ምትእትታዎም ደው ከብሉ ክትብል ጻውዒት ኣቕሪባ’ላ። ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ማትዮ ሳልቪኒ “ ሰበ ስልጣን ሊብያ ነቲ ስደተኛታት ናይ ምርካብን ምድሓን ስርሒት ከካይዱን ነቶም ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ስራሕ ክሰርሑ፡ ብግብረ ሰናይ ትካላት ዝውነና መራኽብ ጣልቃ ካብ ምእታው ደው ክብላ ኣለወን። ወደባት ኢጣልያ ድማ ነዞም ንዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ሰባት ዝሕግዙ መራኽብ ግብረ ሰናይ ዕጽው ኮይኑ ክቕጽል’ዩ” ኢሎም። ብሰንበት ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ኣስታት 1,000 ስደተኛታት ካብ ዝጸዓኑ ሽዱሽተ መራኽብ ናይ ርድኡና መልእኽቲ እንተበጽሖም ፡ ነቲጻውዒት ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ብምትሕልላፍ እቶም ስደተኛታት ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ክለዓሉ ጌሮም።ከም ፕሮኣክቲቭያ ዝተባህለ ጉጅለ ግብረ ሰናይ ሓገዝ ምሃብ ዝፈተኑ ትካላት ድማ ሓገዞም ከምዘየድልይ ብሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ከምዝተነግሮም አባላት እተን ጉጅለታት ይገልጹ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ክልተ ስደተኛታት ዝጸዓና መራኽብ ትካላት ግብረ ሰናይ ኣንፈተን ናበይ ምኳኑ ንምፍላጥ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ደው ኢለን ከምዘለዋ ይግለጽ ኣሎ።እዘን ስደተኛታት ዝጸዓና ክልተ መራኽብ ኣብ ወደባት ኢጣልያ ኮነ ማልታ ከይዓርፋ ተኸልኪለን ኣለዋ። ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መስላት ነቲ ውሳነ ኢጣልያ ብተሪር ብምንጻግ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ’ቲ ናብ ዘይውሕስቲ ሃገር ሊብያ ክምለሱ ምፍቓዳ፡ እዞም ስደተኛታት ንዝያዳ ዓመጽ ክቓልዑ ተፍቕድ ኣላ ክብሉ ይገልጹ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%8C%A3%E1%88%8D%E1%8B%AB-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8B%E1%8B%AD-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%88%93%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%8A%E1%89%A5%E1%8B%AB-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8B%A9-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8A%90%E1%8C%BD%E1%8C%8D\/4455476.html"} {"headline":"አቦ መንበር ደኢህዴግ አቶ ሽፈራው ሽጉጤ ካብ መዝነቶም ብፍቓዶም ለቒቆም","content":"ኣቦ መንበር ናይ ደቡብ ኢትዮጵያ ህዝብታት ዴሞክራሲያዊ ምንስቅስቓስ ኣቶ ሽፈራው ሽጉጤ ብገዛእ ፍቓዶም ካብ መዝነቶም ወሪዶም። ኣፈ ጉባኤ ፓርላማ ኢትዮጵያ ወ\/ሮ ሙፍሪያት ካሚል ኣደ መንበር ብምዃን ተመሪፀን ክብሉ ማዕኸናት ዜና ውሽጢ ሃገር ኣፍሊጦም። ካብ መዝነት ኣቦ መንበርን ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግን ንምልቃቕ ናብ ማእኸላይ ኮሚቴ ዘቕረብዎ ሕቶ ተቐባልነት ምርካቡን ዝገለፁ ኣቶ ሽፈራው ሽጉጤ ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ንዘሎ ለውጢ ከምዝድግፉ ሓቢሮም።ነቲ ለውጢ ዝመርሕ ሓድሽ መሪሕነት ናብ ቕድሚት ከምፅእ ድልየት ኣባላትን መናእሰይን ምኽባር ኣገዳሲ እዩ እውን ኢሎም። “ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ናይቲ ክልል ኣዚዩ ሕማቕን ዘሕዝንን ግጭታት ተኸሲቱ እዩ።ነዚ መርገፂ ክሕዝ ዝደረኸኒ ቀንዲ ምኽንያት እውን እዚ እዩ።ኣብዞም ከባቢታት ዝተለዓሉ ግጭታት ካብ ምምሕዳራዊ መሓውር ብዝዘለለ ንዘላቒ ርክብ ህዝብታት ዝጎድእ ብምዃኑ ኣነ ዝመርሖ ውድብ ኣብ ዘመሓድሮ ክልል ከምዚ ዝበለ ኩነታት ተፈጢሩ እናሃለው ኣብ ስልጣን ምቕፃል ግቡእ መሲሉ ኣይተሰመዐንን።ነዚ ክብል ስልጣን ንምልቃቕ ወሲነ ኣለኹ።” ሚንስትር ሕርሻን ሃብቲ ተፈጥሮን ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኣቶ ሽፈራው ሽጉጤ ቀዳማይ ሚንስትር ዝነበሩ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ካብ መንግስታውን ውድባውን ስልጣኖም ምስለቐቑ ዝተተክኡ መራሒ እዮም። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ማእኸላይ ኮሚቴ ደኢህዴግን ሎሚ ኣብዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ ንወ\/ሮ ሙፍሪያት ካሚል ኣደ መንበር ገይሩ ሓሪዩወን።ንሰን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ብምዃኑ ኣብ ምስራሕ ይርከባ። ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ቀረባ ኣብ ደቡብ ክልል ዝተፈላለያ ከተማታት ብዝተፈጥረ ህውከት ሰባት ምሟቶምን ምቑሳሎም ከምኡ እውን ንብረት ምዕናውን ድሕሪ ምውራዱ ኣመሓደርቲ ዞባታትን ወረዳታትን ግጭት ናይ ዝነበረን ከባቢታት ስልጣኖም ብፍቓዶም ክለቁ ሓቲቶም ነይሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A0%E1%89%A6-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8B%B0%E1%8A%A2%E1%88%85%E1%8B%B4%E1%8C%8D-%E1%8A%A0%E1%89%B6-%E1%88%BD%E1%8D%88%E1%88%AB%E1%8B%8D-%E1%88%BD%E1%8C%89%E1%8C%A4-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%8D%8D%E1%89%93%E1%8B%B6%E1%88%9D-%E1%88%88%E1%89%92%E1%89%86%E1%88%9D\/4454125.html"} {"headline":"ልኡኻት ኤፍቢኣይ መጥቓዕቲ ቦምብ መስቀል አደባባይ ንምጽራይ አዲስ አበባ ኣትዩ","content":"ቢሮ ፌደራላዊ ምርመራ ኣሜሪካ\/ FBI\/ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብቀዳም ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ዘጋጠመ ፍንጀራ ቦምብ ንምፅራይ ልኡኻት ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ ምርመራ ከምዝጀመረ ተገሊፁ። ኣብ መጥቓዕቲ መስቀል ኣደባባይ ዝሞቱ ክልተ ሰባት መንነቶም ብወግዒ ተፈሊጡ’ሎ። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ንቤተሰብ መወቲ ደዊሎም ኣፀናኒዖም ኣብ ሕክምና ንዝርከቡ ድማ ደም ለጊሶም ኣለው። ምስዚ መጥቓዕቲ ብዝተተሓሐዘ ተጠርጢሮም ካብ መንጎ ዝተትሓዙ ሰባት 26 ሎሚ ቤት ፍርዲ ቐሪቦም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BB%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%8D%8D%E1%89%A2%E1%8A%A3%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%89%A6%E1%88%9D%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%89%80%E1%88%8D-%E1%8A%A0%E1%8B%B0%E1%89%A3%E1%89%A3%E1%8B%AD-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8C%BD%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%A9\/4454101.html"} {"headline":"ናብ አዲስ አበባ ዝኸዱ ልኡኻት ኤርትራ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ክኣትው’ዮም ክትብል ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ","content":"ንልዝብ ናብ አዲስ አበባ ዝኸዱ ልኡኻት ኤርትራ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ክኣትው’ዮም ክትብል ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንመጸዋዕታ ሰላም ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ብዝምልከት ልኡኻት ከምዝልእኹ ድሕሪ ምግላጾም’ዩ። ልኡኻት ኤርትራ ኣብዚ’ዚ ሰሙን’ዚ አዲስ አበባ ከምዝአተው ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ’ላ። ዕላማ’ቲ ጉጅለ ልኡኻት ኤርትራ ነቲ ኣብታ ኣህጉር’ቲ ዝነውሓ እዋን ዝጸንሓ ምኳኑ ዝንገረሉ ግጭት ክልቲኣን ሃገራት ናብ መወዳእታ ንምዕላብ ልዝብ ንምክያድ’ዩ። ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ እቶም ልኡኻን ኣብዚ ሰሙን’ዚ አዲስ አበባ ክኣትው ትጽቢት ይግበር ምህላው ሎሚ ዝገለጹ እንተኾነ ካልእ ተወኺ ሓበሬታ ግን ኣይሃቡን። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ዝኾኑ አቶ ፍጹም አረጋ ብዛዕባ’ዚ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል “ዛጊት እቶም ል ኡኻት ከምዘይኣተው’የ ዝፈልጥ። መዓስ ከምዝመጹ ብርግጽ ምዝራብ የጸገም’ዩ። ግን ኣብ ዝሓለፈ ከምዝተገልጸ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ከምዝኸውን’ዩ” ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8B%9D%E1%8A%B8%E1%8B%B1-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BB%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%9A-%E1%88%B0%E1%88%99%E1%8A%95-%E1%8B%9A-%E1%8A%AD%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%8D-%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A3\/4453923.html"} {"headline":"ኣብ አዲስ አበባ ብዘጋጠመ ናይ ፍንጀራ መጥቓዕቲ ክልተ ሰባት ሞይቶም፡ ኣስታት 156 ድማ ቆሲሎም","content":"ኣብ አዲስ አበባ ንቀ\/ሚ አብይ አሕመድ ድጋፍ ንምሃብ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ብዘጋጠመ ናይ ፍንጀራ መጥቓዕቲ ክልተ ሰባት ሞይቶም፡ ኣስታት 150 ድማ ቆሲሎም። ብመሰረት ካብ ሚንስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ዝተረኽበ ሓበሬታ እቶም ዝሞቱ ክልተ ሰባት ከቢድ ጉድኣት በጺሕዎም ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ክከታተሉ ዝጸንሑ ምኳኖም ሓቢሮም ኣለው። ናይ ኢትዮጵያ ሚንስትር ጥዕና አቶ አሚር አማን ኣብ ዝለአኽዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ “ ሓደ ተወሳኺ ኢትዮጵያዊ ግዳይ ህይወቱ ብምስኣኑ ብጣዕሚ ይሓዝን” ኢሎም። ሚንስትሪ ጥዕና’ታ ሃገር ኣስታት 40 ሰባት ኣብ ሆስፒታል ተዓቑቦም ከምዘለውን ሓሙሽተ ካብኦም ከቢድ ጉድኣት ዝበጽሖም ምኻኖም ሓቢሩ’ሎ። ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ዘተኣታትውዎ ዘለው ለውጢ ድጋፍ ንምሃብ ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ብቐዳም ዓብይ ሰልፊ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን እቲ ናይ ፍንጀራ መጥቓዕቲ ምግጣሙ ይፍለጥ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ደገፍቲ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝኾኑ መንእሰያት በቲ ናይ ቐዳም ናይ ፍንጀራ መጥቓዕቲ ንዝተጎድኡ ወገናት ደም ለጊሶም። No media source currently available እቶም መንእሰያት ኣብ ቀይሕ መስቀል አዲስ አበባ ኣቐዲሞም ናይ ምትእኽካብን ደም ምልጋስ መደብ እንተነበሮም በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ዝተሰምዖም ሓዘን ንምግላጽ እቲ ዝተለገሰ ደም በቲ ፍንጀራ ንዝተጎዱ ወገናት ክውዕል ከምዝወሰኑ ኣፍሊጦም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8D%8D%E1%8A%95%E1%8C%80%E1%88%AB-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-156-%E1%8B%B5%E1%88%9B-%E1%89%86%E1%88%B2%E1%88%8E%E1%88%9D\/4453540.html"} {"headline":"\"ኣብ አዲስ አበባ ብዘጋጠመ ናይ ፍንጀራ መጥቓዕቲ 98 ሰባት ቆሲሎም፡ዝሞተ ሰብ ግን የለን\" ኮሚሽነር ኮሚሽን ፈደራል ፖሊስ ዘይኑ ጀማል","content":"ሎሚ ኣብ አዲስ አበባ ብዘጋጠመ ናይ ፍንጀራ መጥቓዕቲ 98 ሰባት ምቁሳሎም ዝሞተ ሰብ ግን ከምዘየለ ኮሚሽን ኮሚሽነር ፈደራል ፖሊስ ዘይኑ ጀማል ንድምጺ ኣሜሪካ ኣፍሊጦም። ካብቶም ዝቖሰሉ 15 ከቢድ ጉድኣት ዝበጽሖም ምኳኑ በተወሳኺ ተፈሊጡ'ሎ። ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ንዘተአታትውዎ ዘለው ለውጢ ንምድጋፍ ሎሚ አብ አዲስ አበባ ዝተኻየደ ሰልፊ ካብ ዝተሓባበሩ ሓደ ኣብ ዩኒቨርሲቲ አምቦ መምህር ዝኾነ ስዩም ተሾመ “ ኣብቲ መድረኽ ስለዝነበርኩ ቁሩብ ነገራት ክርእይ ክኢለ እየ። ቅድሚ’ቲ ፍንጀራ ቁሩብ ዕግርግር ኔሩ” ድሕሪ ምባል ድሒሩ ኣብ ናይ ፖሊስ መኪና ዝተጻወዱ ነታጊ ከምዝተረኽበ'ውን ሓቢሮም። No media source currently available እቶም ፖሊስ ኮሚሽነር ብተወሳኺ ብምክንያት’ቲ ፍንጀራ ዝሰዓበ ምድፍፋዕን ምርግጋጽን ሓደጋ ዝበጽሖም ሰባት ከምዘለው ገሊጾም ኣለው። ንሶም ብተወሳኺ ካብቶም ዝቖሰሉ ሰባት 57 ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ጥቁር አንበሳ ሆስፒታል አገልግሎት ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎ ሓቢሮም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8D%8D%E1%8A%95%E1%8C%80%E1%88%AB-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-115-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%86%E1%88%B2%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8B%9D%E1%8C%A0%E1%8D%8D%E1%8A%A0-%E1%88%85%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4451401.html"} {"headline":"ኤርትራ ነቲ ሎሚ ኣብ አዲስ አበባ ዘጋጠመ ናይ ፍንጀራ መጥቓዕቲ ብትሪ ኮኒና","content":"ኣብ ጃፓን ኣምባሳደር ኤርትራ እስቲፋኖስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘለኣኾ ናይ ቲዊተር መልእኽቲ ኤርትራ ነቲ ህውከት ንምቕስቃስ ዝተገበረ ፈተነ ብጽኑዕ ትኹንኖ ኢሉ።እቲ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ብዓይነቱ ናይ መጀመርያ ዝኾነ ንሰላም ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ንምህዋኽ ዝተገብረ ፈተነ ምኳኑ ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ኣብቲ ናይ ትዊተር መልእኽቶም ይገልጹ። ፖሊስ ኣብ ምጽራይ እቲ ኩነታት ከምዝረከብን ምርመረኡ ምስ ወደአ ሓበሬታ ንህዝቢ ወግዓዊ ከምዝኸውን'ውን ቀ\/ሚ አብይ ኣብቲ ብቴሌቭዥን ዝሃብዎ መግለጺ ኣፍሊጦም ኣለው። \"ብዝተሰነፈን ዝወደቐን ሓሳብ ደው ከምዘይንብል ከረጋግጸልኹም ይፈትው።\" ቀ\/ሚ አብይ ኣብ ህይወት ሰብ ጉድኣት ከምዝወረደ ድሕሪ ምሕባር ምጽንናዕን ቅልጡፍ ሕውየትን ተመንዮም። ድሕሪ'ቲ መጥቓዕቲ ሓለወቲ ቀ\/ሚ ቀልጢፎም ናብ መኪነኦም ከምዝወሰድዎም ካብ ወኪልና ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት። ኣብቲ አደባባይ ዝነበረ ሰብ ግን ኣብ ክንዲ ምስንባድን ምሕዳምን \"ንአብይ ዝትንክፍ የለን\" እንዳበለ ናብቶም ቀ\/ሚ ገጹ ከምዝወሓዘ ተሓቢሩ'ሎ። ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ናብቲ መድረኽ ደይቦም ንቀ\/ሚ እንዳጸውዑ የመጉስዎም ኔሮም። ቀ\/ሚ አብይ ድሕሪ'ቲ ፍንጀራ ብቴሌቭዥን ንህዝቢ ኣብ ዝተዛረብሉ እዋን ኣብቲ አደባባይ ተኸዲኖሞ ዝነበሩ ማልያ ለቢሶም ኔሮም። ቀ\/ሚ መደረኦም ዛዚሞም ቦትኦም ምስ ሓዙ ኣወሃሃዲ መደብ ዝቕጽል መደብ ከፋልጥ ኣብ ዝጀመረሉ ህሞት'ዩ እቲ ፍንጀራ ተሰሚዑ።ኣብ ከባቢ'ቲ ፍንጀራ ዝበጽሓ ወኪልና ናይ ደም ነጠብጣብን ዝወደቐ አሳእንን ከምዝረአየን ዝቖሰሉ ሰባት ናብ ሕክምና ከምዝተወስዱ ከምዝተሓበሮን ነጊሩና አሎ። ኣብዚ ሰዓት'ዚ እቲ ኩነታት ዝተረጋገአ ምዃኑን በብመዳዩ ንድጋፍ'ቲ ሰልፊ ዘንጸባርቑ ጭፈራታት ቀጺሉ ከምዘሎ ወኪልና ወሲኹ ሓቢሩ'ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%90%E1%89%B2-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8D%8D%E1%8A%95%E1%8C%80%E1%88%AB-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%89%A5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%8A%AE%E1%8A%92%E1%8A%93\/4451388.html"} {"headline":"ንቀ\/ሚ አብይ አሕመድ ድጋፍ ንምሃብ ኣብ ዝተጸወዓ ሰልፊ ናይ ፍንጀራ መጥቓዕቲ ተፈጺሙ","content":"ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ድሕሪ'ቲ ፍንጀራ ብተለቪዥን ንህዝቢ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፡ እቲ ብ “እኩያት” ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካብ ግስጋሰና ዝመልሰና ኣይኮነን ኢሎም። ፖሊስ ኣብ ምጽራይ እቲ ኩነታት ከምዝርከብን መርመረኡ ምስ ወደአ ሓበሬታ ንህዝቢ ወግዓዊ ከምዝኸውን'ውን ቀ\/ሚ አብይ ገሊጾም። \"ብዝተሰነፈን ዝወደቐን ሓሳብ ደው ከምዘይንብል ከረጋግጸልኹም ይፈትው።\" ቀ\/ሚ አብይ ኣብ ህይወት ሰብ ጉድኣት ከምዝወረደ ድሕሪ ምሕባር ምጽንናዕን ቅልጡፍ ሕውየትን ተመንዮም። No media source currently available ድሕሪ'ቲ መጥቓዕቲ ሓለወቲ ቀ\/ሚ ቀልጢፎም ናብ መኪነኦም ከምዝወሰድዎም ካብ ወኪልና ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት። ኣብቲ አደባባይ ዝነበረ ሰብ ግን ኣብ ክንዲ ምስንባድን ምህዳምን \"ንአብይ ዝትንክፍ የለን\" እንዳበለ ናብቶም ቀ\/ሚ ገጹ ከምዝወሓዘ ተሓቢሩ'ሎ። ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ናብቲ መድረኽ ደይቦም ንቀ\/ሚ እንዳጸውዑ የመጉስዎም ኔሮም። ቀ\/ሚ አብይ ድሕሪ'ቲ ፍንጀራ ብቴሌቭዥን ንህዝቢ ኣብ ዝተዛረብሉ እዋን ኣብቲ አደባባይ ተኸዲኖሞ ዝነበሩ ማልያ ለቢሶም ኔሮም። ንቀ\/ሚ አብይ አሕመድ ድጋፍ ንምሃብ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ፍንጀራ ከምዘጋጠመ ኣብ ሰባት ጉድኣት ከምዘውረደን ዝቆሰሉ ሰባት ናብ ሕክምና ከምዝተወስዱን ወኪል ድምጽ ኣሜሪካ ካብቲ ቦታ ሓቢሩ። እቲ ፍንጀራ እንታይ ዓይነት ፍንጀራ ምኳኑ ዛጊት ዝተፈልጠ ነገር የለን። ቀ\/ሚ መደረኦም ዛዚሞም ቦትኦም ምስ ሓዙ ኣወሃሃዲ መደብ ዝቕጽል መደብ ከፋልጥ ኣብ ዝጀመረሉ ህሞት'ዩ እቲ ፍንጀራ ተሰሚዑ።ኣብ ከባቢ'ቲ ፍንጀራ ዝበጽሓ ወኪልና ናይ ደም ነጠብጣብን ዝወደቐ አሳእንን ከምዝረአየን ዝቖሰሉ ሰባት ናብ ሕክምና ከምዝተወስዱ ከምዝተሓበሮን ነጊሩና አሎ። ኣብዚ ሰዓት'ዚ እቲ ኩነታት ዝተረጋገአ ምዃኑን በብመዳዩ ንድጋፍ'ቲ ሰልፊ ዘንጸባርቑ ጭፈራታት ቀጺሉ ከምዘሎ ወኪልና ወሲኹ ሓቢሩ'ሎ። ሓድሽ ምዕባለታት ተኸታቲልና ክንሕብር ምዃና ነፍልጥ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A0%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A0%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8B%B5%E1%8C%8B%E1%8D%8D-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%83%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%B8%E1%8B%88%E1%8B%93-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8D%8D%E1%8A%95%E1%8C%80%E1%88%AB-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%88%9D%E1%8B%90-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/4451368.html"} {"headline":"ንመስርሕ ሰላም ኤርትራንኢትዮጵያን ርእይቶ ዜጋታት","content":"ቅልጡፍ ጉዕዞ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ልዑል ዓለም-ለኻዊ ግብረ-መልሲ ምርካቡ ቀጺሉ`ሎ። ዜጋታት ክልቲኤን ሃገራት`ውን ድልየታቶም ትምኒቶምን ብዝተፈላለየ መልክዕ ይገልጹ`ለዉ። ካብ መንጎኦም ትማሊ ዘቕረብናዮም ኢትዮጵያዊ ነጋዳይ ኣቶ ዳዊት ገብረእግዚኣብሔር ተጠቃሳይ ክኾኑ ኸለዉ፡ ኤርትራዊ ዶ\/ር ዓወት ወልደሚካኤል`ውን ካብ መንጎ ነዚ ጉዳይ`ዚ ብቐረባ ክከታተልዎ ዝጸንሑን ኣብ`ቲ ኣርእስቲ ብዙሕ ዝጸሓፉን ምሁራት ሓደ`ዩ። ምሉእ ርእይቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5\/4450797.html"} {"headline":"ተስፋ ጋንታ ናይጀርያ ኣብ ጽዋዕ ዓለም ለምሊሙ","content":"ናይጀርያ 2 - ኣይስላንድ 0 ናይጀርያ ሳላ ሎሚ ዘመዝገበቶ ኣንጸባራቒ ዓወት ኣንጻር ኣይስላንድ ሰለስተ ነጥቢ ሒዛ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ትርከብ። ኣይስላድ ሓደ ነጥቢ ሒዛ ሳልሳይ፣ ኣርጀንቲና ጭራ። ንናይጀርያ ክልቲኤን ሸቶታት ዘመዝገበ ኣሕመድ ሙሳ’ዩ። ኣዝየን ተደለይቲ ሸቶታት። ናይደርያን ኣርጀንቲናን ዝርካይደኦ ግጥም ኣዝዩ ክኾን’ዩ። ዝተዓወተት ጋንታ’ያ ናብ ቀጻሊ ብርኪ ምስ ክሮኤሽያ ካብ’ዚ ምድብ’ዚ ትሓልፍ። ጋንታ ብራዚል ኣብ ዛዛሚ ደቃይቅ ብምኽንያት ዝረኸበተን ኣጋጣሚታት ተጠቒማ ክልተ ንዜሮ ስዒራ፣ ሰለስተ ነጥቢ ሒዛ ወጺኣ። ጋንታ ኮስታሪካ ሓደ ግጥም እናተረፋ ከሎ ካብ’ቲ ጽዋዕ ዓለም ወጻኢ ኮይና ኣላ። ኣብ’ዚ ምድብ’ዚ፣ ትማሊ ንጋንታ ኣርጀንቲና ዘዋረደታ ጋንታ ክሮኤሽያ ሓደ ጸወታ እናተረፋ ከሎ ናብ ቀጻሊ ምዕራፍ ምሕላፋ ኣረጋጊጻ ኣላ። ጽባሕ ቀዳም፣ ቤልጅየም ምስ ቱኒስያ፣ ደቡብ ኮርያ ምስ ሜክሲኮ፣ ጀርመን ምስ ስዊድን ክጋጠማ እየን። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/world-cup-nigeria-won\/4450742.html"} {"headline":"ኣሜሪካ ብሓዲሽ ምዕባለ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ተተባቢዓ ምስ ክልቲኣን ሃገራት ናብ ምሉእ ንቡር ዝምድና ንምምላስ ትእምት","content":"ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ንነዊሕ ዝጸንሓ ግጭት ንምፍታሕን ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት ናብ ንቡር ንምምላስ ዘካይድኦ ዘለዋ ምዕባለታት ኣሜሪካ ብሓጎስ ተቐቢላቶ`ላ።ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዝጸንሓ ኣይ ሰላም ኣይ ኹናት ንርግኣትን ቁጠባዊ ምዕባለታት ዞባ ቀይሕ ባሕሪን ክዕንቅፍ ጸኒሑ እዩ።ዘላቒ ሰላም ኣብ`ቲ ዞባ`ምበኣር ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራይ ዘይኾነ ንጎረባብቲ ሃገራት፥ ንኣሜሪካን ንዓለምን ዝያዳ ጸጥታን ብልጽግናን ዘምጽእ’ዩ። ኣሜሪካ: ኢትዮጵያ ንአወንታዊ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ለውጢ ንምምጻእ ንስምምዕ ኣልጀርስ ከምትቅበል ኣብ ሰነ 5,2018 ዘሕለፈቶ ውሳነ ብምምስጋን ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንዝያዳ መስርሕ ሰላም ልኡኽ ናብ አዲስ አበባ ከምዝልእኽ ኣብ ሰነ 20,2018 ዘሕለፎ መልክኽቲ ከምዘሓጎሳ ትገልጽ። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ አሕመድን ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ንሰላም ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ተባዓት መራሕቲ ምዃኖም ኣመስኪሮም እዮም። ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምርግጋእን ብልጽግናን ኣብ ምብርታዕ ኤርትራን ኢትዮጵያን አገዳሲ ተራ ኣለወን።ስለዝኾነ ድማ ኣሜሪካ ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት ናብ ንቡር ንምምላስ ዘለዋ ተስፋን ክልቲኣን ሃገራት ሰላምን ምዕባለን ኣብ ምስትምቃር ዘሎ ሓባራዊ ትምኒት ክትገልጽ ትፈትው።ኣሜሪካ ከም ሓንቲ ካብ ምስክራት ስምምዕ ኣልጀርስ መሰረት ነዚ ምዕባለ`ዚ ከም ዝሳለጥ ኣብ ምግባር ድልውቲ ከምዘላ ትገልጽ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%89%A5%E1%88%93%E1%8B%B2%E1%88%BD-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%89%A3%E1%88%88-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%89%A2%E1%8B%93-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B2%E1%8A%A3%E1%8A%95-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%88%89%E1%8A%A5-%E1%8A%95%E1%89%A1%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%8B%B5%E1%8A%93-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%88%B5-%E1%89%B5%E1%8A%A5%E1%88%9D%E1%89%B5\/4450413.html"} {"headline":"ሪኢቶ ብዓል ሃፍቲ ዳዊት ገብረእግዝኣብሄር ኣብ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን","content":"ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ሃውህው ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት ከብቅዕ ተስፋ ዝተግብረሉ ፃውዒት መንግስቲ ኢትዮጵያን ግብረ መልሲ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ተሰምዓኒ ታሕጓስ ብቐሊሉ ኣይግለፅን ይብሉ ሃፍታም ነጋዳይ ኣቶ ዳዊት ገብረእግዛብሄር። ርክብ ክልቲኡ ህዝብታት ናብ ንቡር ንምምላስ ይደለን ይንቀሳቐስን ከምዝነበርኩ ሰብ መልክዕ ክሕዝ ምርኣይ ሕጉስ እየ ይብሉ።’’ጥራሕ መንገዲ ሰማይ ይከፈተልና እምበር ብነፈርተይ ኣቢለ ናይ መጀመሪያ ብነፃ ክወስደኩም እየ ኢለ ቃል ዝኣተኹሎም ሰባት ኣለው’’ ክብሉ ዝተዛረቡ ኣቶ ዳዊት ብናተይ እምነትን ሕልምን ኣብ ክልቲኡ ህዝቢ ካብቲ ናይ ቀደም ዝበለፀ ፍቕሪ ሃሊዩ ክርኢ እዩ ትምኒተይ ኢሎም።’’ሓደ ዓይነት ህዝቢ እውን ስለዝኾነ ፖለቲከኛታት ብዘምፅእዎ ኣፈላላይ ክንፈላለ የብልናን’’ኢሎም ብምውሳኽ። ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/dawit-gebregziabher-on-ethio-eritrea-peace-prospect\/4449163.html"} {"headline":"ኤርትራ ልኡኽ ጉጅለ ናብ አዲስ አበባ ከምትልእኽ ምፍላጣ ስዒቡ ቀ\/ሚ አብይ አሕመድ ዝሃብዎ ግብረ መልሲ","content":"ናይ ኤርትራ ፕረዚዳንት ኢስያስ ኣፈወርቂ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ህልው ኩነታት ንምፍላጥን ንመጻኢ ውጥን ስራሕ ንምንዳፍ ጉጅለ ልኡኽ ናብ አዲስ አበባ ነበግስ ኣለና ኢሎም። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣቶ ፍፁም ኣረጋ ነቲ ዜና ስዒቡ ኣብዝዘርግሑዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ንልኡኽ ኤርትራ ንምቕባል ድልው እዮም ኢሎም። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየድ ናይ ዶብ ኲናት እንተወሓደ 70,000 ሰባት ሞይቶም። ፕረዚዳንት ኢሳያስ ኣብ መደርኦም ንሓባራዊ ቓልስን ኪሳራታትን ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣስሚሮምሉ ኣለው። ኣብ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ተሓባባሪ ጉዳያት ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ዶናልድ ያማማቶ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዑደት ፈፂሞም እንተነበሩ እውን ክልቲአን ሃገራት ዝርዝር ናይቲ ርክብ ኣይገለፃን። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ጉዳይ ዶብ ብዝምልከት ዝወሰድዎ መርገፂ ንሶም ይወስዱዎም ካብ ዘለው ብዙሓት ለውጥታት ሓደ እዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%88%8D%E1%8A%A5%E1%8A%BD-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%88%8B%E1%8C%A3-%E1%88%B5%E1%8B%92%E1%89%A1-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A0%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A0%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8B%9D%E1%88%83%E1%89%A5%E1%8B%8E-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%88%B2\/4447479.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ አብይ ኣብ ክልል ደቡብ ዝተፈጥረ ግጭት ከባቢ ዝርከቡ ሓለፍቲ ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ከምዝግባእ ሓቢሮም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝነበረ ግጭትን ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ጉድኣት ዝወረደን ሰለስተ ከተማታት ዝርከቡ ሓለፍቲ ዞባን ወረዳን ብድልየቶም ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ከምዝግባእ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ናብቲ ከባቢ ብምጉዓዝ ምስ ህዝቢ ኣብዝተራኸብሉ እዋን ምሕታቶም ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣቶ ፍፁም ኣረጋ ገሊፆም። “ቀዳማይ ሚንስትር ሕቶ ዘቕረቡ ግጭት ዝነበሮም ከባቢታት ብዋናነት ሲዳማ ከባቢ ሃዋሳ፣ወላይታ ሶዶ ከምኡ እውን ወልቂጤ እቲ ግጭት ኣብ ምጉህሃርን ሓላፍነት ወሲዶም ብዘይምፍትሖምን መሪሕነት ዞባ ይኹን ወረዳ ስልጣኖም ክሓድጉ እዮም።” ናይቲ ክልል መንግስቲ እውን ገምጊሙ ብፍቓዶም ኣብ ልዕሊ ዘይወርዱ ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ ምሕታቶም ገሊፆም።ጉድኣት ዝወረዶም ክጣየሹን ዝተበደሉ ተኻሒሶም ናብ ናይ ቀደም መነባብርኦም ክምለሱን እውን እዮም ኢሎም። ኣብ ከተማ ሃዋሳ ኣብ እዋን በዓል ፊቼ ጨንበላላ ብዝተፈጥረ ህውከትን ቀፂሉ እውን ኣብ ከተማ ወልቂጤ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ ብዝተፈጥረ ግጭትን ህይወት 15 ሰባት ምጥፍኡ፣ኣስታት ሓደ ሚእቲ ምቑሳሎም ዝለዓለ ዕንወት ንብረት ምውራዱን ዝዝከር እዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A0%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%A8-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%88%93%E1%88%88%E1%8D%8D%E1%89%B2-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%96%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%8B%B1-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%8A%A5-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/4447420.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ ሰራሕተኛታት ሃገራዊ ድሕነት ካብ ፖለቲካዊ ወገንነት ነጻ ኮይኖም ከምዝሰርሑ ተገሊጹ","content":"ሓድሽ ዳይረክተር ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ ጀነራል ኣደም መሓመድ ሰራሕተኛታት ናይቲ ትካል ካብ ፖለቲካዊ ወገናውነት ነፃ ኮይኖም ክሰርሑ ክግበር እዩ ክብሉ ንመራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ገሊፆም። “ኣብዚ ዝሰርሕ መሪሕነት ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ፓርቲ ክወፅእ ኣለዎ።ከም ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ናይ ውልቂ እምነት ክህልዎ ይኽእል እዩ።ናይ ፖለቲካ ኣባል ኮይንኻ ግን ብዝኾነ ተኣምር ክልተ ስራሕ ክተሰርሕ ኣይትኽእልን ኢኻ።” ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ንፓርላማ ኣብዝሃብዎ መብርሂ ትካላት ሃገራዊ ድሕነት ይኹን ምክልኻል ክሳብ ሎሚ ካብ ፖለቲካ ነፃ ከምዘይኮኑ ገሊፆም ነይሮም።እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ሓደሽቲ ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነትን ምክልኻልን ምሻሞም ይዝከር ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%88%E1%8C%88%E1%8A%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%90%E1%8C%BB-%E1%8A%AE%E1%8B%AD%E1%8A%96%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%88%91-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4447407.html"} {"headline":"መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ጎደና ሰላም!","content":"መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዝጸንሐ ምስሕሓብን ዘይምርድዳእን ንምፍታሕ ንክራኸቡ ቅሩባት ምዃኖም ገሊጾም። ብመሰረት ዕድመ ቀ\/ሚ ኣብዪ ኤርትራ ልኡኽ ናብ ኣዲሳበባ ተብግስ ከምዘላ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሎሚ ኣፍሊጦም ኣለው። ኣብ ልዕሊ’ዚ ይምዕብል ዘሎ ተርእዮታት ንምዝርራብ ክልተ ኣጋይሽ ዓዲምና ኣለና። ዶ\/ር ገላዴዎስ ኣርኣያ ካብ ኣሜሪካ፣ ዶ\/ር በርሀ ሃብተጊዮርጊስ ካብ ኣስመራ ኤርትራ። መግለጺ ፕረዚደት ኢሳያስ ኣፈወርቂ እንታይ ስምዒት ፈጠረልኩም? ዝብል ሕቶ ዝቀረበሎም ክልቲኦም ኣጋይሽ ‘ኣብ ውሽጢ ዕድመይ ክሪኦ ይምነዮ ዝነበርኩ ግዲ ክሪኦ’የ’ ኢሎም ዶ\/ር በርሀ ሃብተጊዮርጊስ። ዶ\/ር ገላዴዎስ ኣርኣያ ብወገኖም ‘ከመይ ኢሉ’ዩ እዚ ሓው ህዝቢ ተራሓሒቁ ዝነብር እናበልኩ’የ ይነብር ነይረ፣ ስለዚ ክልቲኡ ህዝቢ ክጥቀም’ዩ’ በሉ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-eritrea-peace-process-isaias-afewerki-abyi-ahmed\/4447399.html"} {"headline":"መግለጺ ናይ ኢትዮጵያ ተቓዋሚ ውድብ ግንቦት ሸውዓት ንመደረ ቀ\/ሚ አብይ አሕመድ","content":"ናይ ኢትዮጵያ ተቓዋሚ ውድብ ግንቦት ሸውዓተ ንመደረ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ብምድጋፍ መግለፂ ኣውፂኡ። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ብቕድሚ ትማሊ ንፓርላማ ኣብ ዘስምዕዎ መደረን ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ንዝቐረበሎም ሕቶታት ዝሃብዎ መልስን \"ብፅሞና ተኸታቲለዮ ኣለኹ’’ ዝበለ መግለፂ ግንቦት ሸውዓተ፡ እቶም ቀዳማይ ሚንስትር \"ንሓቂ ደው ምባሎም ዘለዎም ድልውነትን ዝመርሑዎ ናይ ለውጢ ጉጅለ እውን ንሃገራዊ ምርድዳእ ዘርእዮ ዘሎ ድልውነት ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ዝሕብር እዩ ’’ይብል። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ብምጥፍፋእ ስልጣን ምሓዝ ይኹን ኣብ ስልጣን ምፅናሕ ግዚኡ ዝሓለፎ \"ድሑር ፖለቲካ እዩ’’ ክብሉ ዕጥቓዊ ቓልሲ የካይዱ ንዘለው ሸውዓት ግንቦት፣ኦነግን ኦብነግን ብሽም ብምፅዋዕ ንዓመፅ ገዲፎም ናብ ሰላማዊ ቓልሲ ክሰጋገሩ ንዘስምዕዎ ፃውዒት እቲ ውድብ ዝኣምነሉ ምዃኑ ኣብቲ መግለፂ ሓቢሩ አሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8B%E1%88%9A-%E1%8B%8D%E1%8B%B5%E1%89%A5-%E1%8C%8D%E1%8A%95%E1%89%A6%E1%89%B5-%E1%88%B8%E1%8B%8D%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%98%E1%8B%B0%E1%88%A8-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A0%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A0%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5\/4447390.html"} {"headline":"\" ንህልው ኩነታት ብቐጥታን ብዕምቆትን ክንፈልጦን ቀጻሊ ውጥን ስራሕ ምእንቲ ክንነድፍን ልኡኽ ናብ አዲስ አበባ ነበግስ አለና” ፕረ. ኢሳያስ","content":"መንግስቲ ኤርትራ ንሰላማዊ ጽምዶ ሓደ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝሰደድ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሎሚ ኣፍሊጡ። ብምኽንያት 20 ሰነ መዓልቲ ሰማዕታት ሎሚ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ተረኺቡ መደረ ዘስምዐ ፕረዚደንት ኢሳያስ “ንህልው ኩነታት ብቐጥታን ብዕምቆትን ክንፈልጦን ቀጻሊ ውጥን ስራሕ ምእንቲ ክንነድፍን ልኡኽ ናብ አዲስ አበባ ነበግስ አለና”ኢሉ። ምሉእ ጸብጻብ ኣብ ናይ ሎሚ ፈነወ ተኸታተሉ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8A-%E1%8C%BD%E1%88%9D%E1%8B%B6-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%88%8D%E1%8A%A5%E1%8A%BD-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4446738.html"} {"headline":"`ምቕባል ውሳነ ኮሚሽን ዶብ፡ ብግብራውነት ክስርሓሉ ኣለዎ ` ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ","content":"ብኢህወደግ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣልጀርስ ንዝተፈረመ ውዕል ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ምሉእ ንምሉእ ከምዝተቐበሎን፡ ንውሳነ ኮሚሽን ዶብ ብዘይ ቅድመ-ኩነት ንምትግባሩ ከምዝወሰነን ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣፍሊጡ`ዩ። ብዛዕባ`ዚ ውሳነ ዝተፈላለዩ ግብረ-መልሲ ካብ ዝህቡ ዘለዉ ሓደ፡ ኤርትራዊ ተቓዋሚ ፓርቲ፡ ሰልፊ ደመክራሲ ኤርትራ: ሓደ መግለጺ ኣውጺኡ`ሎ። ምስ ኣቦ-መንበር`ቲ ሰልፊ ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%8B%B6%E1%89%A5-%E1%89%A5%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%93%E1%88%89-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8E-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8B%B0%E1%88%9E%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%88%B2-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB\/4445806.html"} {"headline":"መምህር ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣቶ መሓሪ ዮውሃንስ፡ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣርቲፊሻል ዶብ`ዩ ምስ ዝብል ኣበሃህላ ቀ\/ሚ ኣብይ ኣሕመድ እሰማማዕ`የ ይብል","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ ሶኑይ ካብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ሕቶታት ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ ኣቐዲሙ ብፓርላማ`ታ ሃገር ተቐባልነት ዝረኸበ ውዕል ኣልጀርስ ምትግባር ናይ መንግስቱ ሓላፍነት ከምዝኾነ ኣስሚርሉ። ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎን ዝህሉን ዶብ ኣርቲፊሻል ምዃኑን፡ ንዓለማዊ ሕጊ ምትግባር ንሓድነትን ሕውነትን ህዝብታት ሃገራት ምጽባእ ከምዘይኮነን`ውን ገሊጹ። ብዛዕባ`ዚ ኣበሃህላ ካብ ከባቢ ኽልል ትግራይ ርእይቶ ንምስማዕ ፡ ናብ መቐለ ብምድዋል፡ ንኣቶ መሓሪ ዮውሃንስ፡ ኣብ ዪኒቨርሲቲ መቐለ መምህር ፖለቲካል ሳይንስን ስትራተጂካዊ መጽናዕትን ኣዘራሪብናዮ’ለና። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD-%E1%8B%A9%E1%8A%92%E1%89%A8%E1%88%AD%E1%88%B2%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%88%98%E1%88%93%E1%88%AA-%E1%8B%AE%E1%8B%8D%E1%88%83%E1%8A%95%E1%88%B5-%E1%8B%B6%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%AD%E1%89%B2%E1%8D%8A%E1%88%BB%E1%88%8D-%E1%8B%B6%E1%89%A5-%E1%8B%A9-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A0%E1%88%83%E1%88%85%E1%88%8B-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%88%9B%E1%88%9B%E1%8B%95-%E1%8B%A8-%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%8D\/4445774.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ ኣብይ አሕመድ ብልሽውና ብዝምልከት ንፓርላማ’ታ ሃገር ዝሃብዎ መብርሂ","content":"ብርክት ዝበለ ሃብቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተዋህሊሉ’ሎ ዝበሉ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ተሓተቲ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ምስ ናይተን ሃገራት መንግስታት ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።ትማሊ ንፓርላማ ኣብዝሃብዎ መብርሂ ተወላዶ ትግራይ ብዝምልከት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ፃውዒት ኣቕሪቦም ኣለው። ኣብቶም ዝሓለፉ 15 ዓመታት ሰባት ብብልሽውና እናተኣስሩ ኣብ ክንዲ እናነከየ ዝኸይድ ስለምንታይ እናወስኸ ከይዱ ኢሎም ዝሓተቱ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ነቲ ምንጪ ዘይኮነስ ነቲ ጨንፈር ንሕዝ ስለዘለና እዩ ኢሎም።ብብልሽውና ኣብ ወፃኢ ዝተዋህለለ ገንዘብ ዝለዓለ ምዃኑ ዝገለፁ፡ ንሶም መንግስቶም ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ብምትሕብባር ይምርምሮ ኣሎ ኢሎም። “ምዝራፍ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዙሕ ሃብቲ ኢትዮጵያ ኣብዝተፈላለያ ሃገራት ተዋህሊሉ’ሎ።ዋላ ሓደ ዘጠራጥር የብሉን።ከይትጠራጠሩ።….ሓበሬታ ዝህባና ሃገራት ስለዘለዋ ሓቢርና ኣብ ምስራሕ ንርከብ።….ከም ናይ ቅድሚ ሎሚ ኣሲርና ካብ እነፃሪ ምስ ኣፃረና እንተኣሰርና ይሐይሽ ብዝብል እምበር ለያቡ የለውን ብዝብል ኣይኮነን።ለያቡ ሌብነቶም ዘይተፈልጠሎም እናመሰሎም ውዲት ክፍፅሙ ምውዓሎም ድማ ተወሳኺ ሕማም እዩ።እናተፃረየ ስጉምቲ ክውሰድ እዩ።” ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ብፍላይ ንነበርቲ ክልላት ደቡብ፣ኦሮሚያን ኣምሓራን ብዝብል ዘሕለፍዎ መልእኽቲ እውን ነይሩ።ንተወላዶ ትግራይ ብዝምልከት’ውን ከምዚ ኢሎም። “ምስቲ ሕቶ ብዙሕ ዘይተኣሳሰር ዋላ እንተኾነ እውን በዚ ኣጋጣሚ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከሕልፎ ዝደሊ ዝለዓለ ፃውዒት ብዛዕባ ህዝቢ ትግራይ እዩ።ህዝቢ ትግራይ ዴሞክራሲ፣ሰላም፤ልምዓት ክመፅእ እዩ ብዝብል ልዕሊ ኩሉ ደቁ ገቢሩ እዩ።ሎሚ ዝለዓለ ፀገም ሰናይ ምሕደራ ዘሎ ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ እዩ።ክልል ትግራይ ዝተፈለየ ነገር ዝረኸበ ዝመስለና፣ዴሞክራሲ ዝርከብ ዘሎ ዝመስለና ዝተጠቕመ ዝመስለና ብፍላይ ኣብ ደቡብ፣ኦሮሚያ ኣብ ኣምሓራ ንርከብ ሰባት በጃኻትኩም ህዝቢ ትግራይ ሎሚ እውን ማይ ንምስታይ ይፅገም ኣሎ።ዝረኸቦ ሓንቲ መኽሰብ የለን።” ውሑዳት ሰባት ተጋግዮም ከጋግዩና ከለው ኣብ ካልእ ጫፍ ዝርከብ ዝረኸቦ ዘይብሉ ብዘይኣበስኡ ብሽም ትግራዋይ ምቕፅዕ ግቡእ ኣይኮነን ኢሎም።ነዚ ዝብሎ ዘለኹ ዘይኣምን ሰብ እንተሃሊዩ ብዝደለዮ መንገዲ ናብ ትግራይ ከይዱ ገጠር ትግራይ ከይዱ ክርእይ ይኽእል እዩ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A0%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%88%BD%E1%8B%8D%E1%8A%93-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%88%8B%E1%88%9B-%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%88%83%E1%89%A5%E1%8B%8E-%E1%88%98%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%82\/4445755.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ አብይ አሕመድ ንፓርላማ’ታ ሃገር ዝሃብዎ መብርሂ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ይቅሬታ ንመንግስቲ’ውን ዝጠቅም’ዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ንፓርላማ ተዛሪቦም። ግብረ ሽበራ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዝግበር ሓይሊ ምጥቃም’ውን ዝሓውስ’ዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚንስትር አብይ ንእሱር ምግራፍ፡ ኣብ ጸላም ምቅማጥ፡ አካል ምጉዳል፡ ናትና ተግባር ግብረ ሽበራ’ዩ ክብሉ’ውን ተዛሪቦም። ንሶም ብተወሳኺ ኮሚተ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዴግ ስምምዕ አልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶብን ብዝምልከት ዘሕለፎ ውሳነ ብዝምልከትን ካልኦት ጉዳያትን መብርሂ ሂቦም ኣለው። እዚ ብሩኽ ህዝቢ ይቅሬታ ጌሩ ዕድል ሂቡና’ሎ ነዚ ክንጥቀመሉ ይግባእ ሓደ ንሓደ አጥፊኡ ስልጣን ምሓዝ ጊዚኡ ዝሓለፈ’ዩ ኢሎም። ኣብቲ ናይ ፓርላማ ኣኼባ ካብ ዝቀረበሎም ካልእ ሕቶ ንስምምዕ ኣልጀርስ ብይን ኮሚሽን ዶብን ብዘይ ቅድመ ኹነት ንምቅባል ምሉእ ንምሉእ ንምትግባርን ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዴግ ዝበጽሖ መደምደምታ ኣብ ቀረባ ህጹጽ ኣኼባ ዝገበረ ማእከላይ ኮሚቴ ህውሓት ህዝብን ካልኦት ወገናትን ከይተመያየጥሉ ብመሓውራት ዜና ክግለጽ ኣይነበሮን ንዝብል ሕቶ አኼባ ፈጻሚ ስራሕ በብስዓቱ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ክገለጽ ኣለዎ ድሕሪ ደጊም ናይ ሕብእብእ ፖለቲካ አብ ኢትዮጵያ ኣይሰርሕን’ዩ ኢሎም። \"ልዝብ ከይተኻየደ ህዝቢ ከይተመያየጠሉ ዝብል መከራኸሪ ይኸውን’ዶ፡ ኣይኸውንን’ዩ። ዓሰብ ክንህብ ከለና መዓስ ብዛዕባ ዓሰብ ተመያይጥና ከምዚ ዓይነት ክርክር ንጊዝያዊ ፖለቲካዊ መኽሰብ ጥራይ ምበር ኣይተቐምን።” ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A0%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A0%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%8A%95%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%88%8B%E1%88%9B-%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%88%83%E1%89%A5%E1%8B%8E-%E1%88%98%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%82\/4444208.html"} {"headline":"'ዶብ ምሕንጻጽ፡ ህዝቢ ምፍንቓል ማለት ኣይኮነን'","content":"ብዛዕባ`ቲ ኣብ ባድመን ኣብ ዝተፈለለየ ከተማታት ክልል ትግራይ ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ከም ኤርትራዊ ርእይትኡ ክህብ ዝተሓተተ ነባሪ ስዊድን ኣቶ ኣለም ዘሞ፡ ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ብዛዕባ ምምልካት መሬት`ምበር ብዛዕባ ምጥራር ሰባት ኣይዛረብን`ዩ ኢሉ። ኣቶ ኣለም፡ ስራሕ ኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብ፡ ካብ ራስ-ዱሜራ ክሳብ ኦምሓጀር ዘሎ ነዊሕ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምምልካት`ምበር ፡ብዛዕባ ዓድታትን ህዝብታትን እንተኾይኑ ድሕሪኡ ህዝቢ ኣብ ዝጥዕሞ ክነብር ብምርድዳእ ዝፍጸም`ዩ ዝኸውን ኢሉ። ኣተሓሒዙ፡ ድሕሪ ባእስን ህልቀትን ናብ ቤት ፍርዲ ተኸይዱ ዝተፈረመ፡ ሰላም ንኽምጽእ ተባሂሉ`ዩ ድሕሪ ምባል፡ እቲ ውዕልን ውሳነን ሰላም ዘምጽኣሉን፡ ጎረባብቲ ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ከም ቀደሞም ብሓባር ዝነብርሉ ኩነታት ንምፍጣር ስለዝኾነ እቲ ዝቐደመ ክንገብር ግድን`ዩ ኢ። ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ-መጠይቕ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B6%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8A%95%E1%8C%BB%E1%8C%BD-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%8A%95%E1%89%93%E1%88%8D-%E1%88%9B%E1%88%88%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8A%AE%E1%8A%90%E1%8A%95-\/4444192.html"} {"headline":"ኢጣልያ ኣብ ወደባታ ከይትዓርፍ ዝከልከለታ 630 ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ስጳኛ ኣትያ","content":"ሰበ ስልጣን ኢጣልያ ኣብ ወደባት እታ ሃገር ከይትዓፍ ዝከልከልዋ ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ‘አኳይረስ' ሎሚ ሶኑይ ናብ ወደባዊት ከተማ ቫለንስያ ስጳኛ በጺሓ እታ “ሓካይም ብዘይዶብ” ዝተባህለ ግብረ ሰናይ ትካል ትውነን መርከብ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ንዘድሓነቶም 450 ደቂ ተባዕትዮ፡ 7 ነፍሰጾራት ዝርከብዎም 80 ደቂ ኣንስትዮን ኣስታት 100 ዝኾኑ ህጻናት ሒዛ እያ ስጳኛ በጺሓ። እቶም ስደተኛታት ቫልንስያ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን “እንኳዕ በደሓን መጻእኹም” ዝብል ብዝተፈላለየ ቋንቋ ዝተጻሕፈ ምልክታት ዝሓዙ ብዙሓት ሰባት ከምተቐበልዎም ተገሊጹ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%8C%A3%E1%88%8D%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%88%E1%8B%B0%E1%89%A3%E1%89%B3-%E1%8A%A8%E1%8B%AD%E1%89%B5%E1%8B%93%E1%88%AD%E1%8D%8D-%E1%8B%9D%E1%8A%A8%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%88%88%E1%89%B3-630-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8B%93%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%8C%B3%E1%8A%9B-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%AB\/4443639.html"} {"headline":"ኣብ ሃዋሳ፣ወላይታን ወልቅጤን ብሰንኪ ዝተፈጥረ ግጭት ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ምውራዱ ነበርቲ ገሊፆም","content":"ኣብ ደቡብ ክልል ሃዋሳ፣ወላይታን ወልቅጤን ብሰንኪ ዝተፈጥረ ግጭት ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ምውራዱ ነበርቲ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።ናይቲ ክልል መንግስቲ ናይ ምርግጋእ ስራሕ ይሰራሕ ከምዘሎ ሓቢሩ’ሎ። ኣብ ከተማ ሃዋሳ ዝተኸብረ በዓል ፊቼ ጨምበለላ ስዒቡ መናእሰይ ዓሌት ፈሊዮም ከምዝተጋጨዩ ዘዘራረብናዮም ነበርቲ ይገልፁ። ኣብ ከተማ ሃዋሳ ዘዘራረብናያ ነባሪት ከምዚ ክትብል ትገልፆ። “ኣብ ጥቓይ ዝነብሩ ንኣብነት ከብቲ ኣለዎም።ንከብቶም ገኒሖም ወሲዶምዎም።ቀፂሎም ናይ ወለድና መሬት እዩ፣ናይ ሲዳማ መሬት እዩ ውጹልና፤ወላይታ ናብ ሃገሩ ይመለስ ይብሉ።ከምዚ እናበሉ እዮም ዘሳቑይና ዘለው።ሰብኡት ይገጥሙዎም ኣለው።ንሕና ደቂ ኣንስትዮ ግን ከመይ ገይርና?ጠጠው ኢልና ንርኢ ኣለና።ኣውያት እዩ፤ኣዴታትና ይበኽያ ኣለዋ፤ዘረፋ እዩ።ንነሕድሕድና ንጨፋጨፍ ኣለና። “ ሎማ ‘ውን ካብ ሃዋሳ ሓሊፉ ናብ ወላይታ ብምግፋሕ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ወሪዱ’ሎ።ኣብታ ከተማ ወኪል ተቓዋሚ ሰማያዊ ፓርቲ ምዃኖም ዝገለፁ ናይ ዓይኒ ምስክር ኣዚዩ ኣፀጋሚ እዩ ይብሉ። “ብሓፈሻ ኣብ ከተማ ዝርከብ ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ መጥቓዕቲ ተፈፂሙዎ።እቲ መንእሰይ ኩሉ ወጺኡ ክብሃል ይኽእል።ናብ ዩኒቨርስቲ ኮይዶም ዝተወሰነ ኣቃፂሎም፤ናብ ኮሌጅ ሕርሻ እውን ከይዶም ብዙሕ ነገር እዩ ተፈፂሙ።ሕብረት ባንኪ ኦሮሚያ እውን ተቓፂሉ።ናይ ውልቀ ሰብ ንብረት እውን ዓኒዩ’ሎ።ሕዚ እውን ኣይዝሓለን።ፍሉይ ሓይሊ ገና እናተወ እዩ ዝርከብ።” ካብ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ክልል ደቡብ ሓበሬታ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።ናይቲ ክልል ኣማሓዳሪ ኣቶ ደሴ ዳልኬ ንናይቲ ክልል ቴሌቪዥን ኣብዝሃብዎ መግለፂ ግን ናይ ምርግጋእ ስራሕ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም። ከባቢያዊ ዶብን ካልኦት ምኽንያታት ብምልዓል ንዘመናት ሓቢሩ ዝነበረ ህዝቢ ምጥርጣራት ዝፈጥሩን ግጭት ዘለዓዕሉን ውዲታት ይርኣዩ ኣለው ዝበለ መግለፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ኩነታት ሓደገኛ ብምኳኑ ህዝቢ ናይ ባዕሉ ሰላም ክሕሉ ምዒዱ’ሎ።ንዝበጽሐ ጉድኣት እውን ሓዘኑ ገሊፁ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%83%E1%8B%8B%E1%88%B3-%E1%8B%88%E1%88%8B%E1%8B%AD%E1%89%B3%E1%8A%95-%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%89%85%E1%8C%A4%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%A8-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8C%89%E1%8B%B5%E1%8A%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%AB%E1%8B%B1-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8D%86%E1%88%9D\/4441197.html"} {"headline":"ኣኼባ ፎረም ምሕደራ ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ","content":"ፎረም ምሕደራ ትግራይ ዝተብሃለ ሓደ ምትእኽኻብ ፅባሕ ቀዳም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ሓደ ማዕልቲ ኣኼባ ከምዘካይድ ሓደ ካብ ኣዋሃድቲ ናይቲ መድረኽ ዶ\/ር ዘፅኣት ንቪኦኤ ገሊፁ። ኣብዝተፈላለዩ ዓውዲ ዝወፈሩ መናእሰይ ዘዳለውዎም ከምዝኾነን ገዛኢ ፓርቲ፤ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐስ ተቓዋሚ ፓርቲ፣ምሁራት፣ነጋዶን ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት ዝሓዙ ጋያሹን ከምዝሳተፍሉ ዶ\/ር ዘፅኣት ሓቢሩ። እቲ ፎረም ቀፃሊ ኣንፈት ዕቤት ትግራይ- ፀጋታትን ፈተናታትን፣ልዕልነት ሕጊን ድሕንነትን ተጋሩን ምርግጋፅ ሰብአዊ መሰላትን ምድንፋዕ ተሳትፎ ተጋሩን ዝብሉ ካልኦት ከምዝዝተየሎም ዶ\/ር ዘፅኣት ገሊፁ። ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/tigray-governance-forum\/4441194.html"} {"headline":"መግለጺ ኤምዲሰመ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን","content":"ኣብ ፕሪቶርያ ዝመደብሩ ኤርትራዊ ምንቅስቃስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን(ኤምዲሰመ) ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣቢይ ኣሕመድ ፡ ኢትዮጵያ ንውሳነ ኮምሽን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ብዘይ ቅድመ ኩነት ከምትቕበሎን ከምተተግብሮን ዝሃብዎ መግለፂ ናይ ርሕቁን ቀረባን ዝጠመተ ለባም ውሳነ፡ ንረብሓ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት እዩ ክብል ኣብ ዘውፅኦ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣፍሉጡ። እቲ ኤርትራዊ ምንቅስቃስ ኣብቲ መግለፂኡ ኣብ 1998-2000 ዝተገብረ ኣዕናውንደማውን ናይ ዶብ ኩናትን፡ ንዓመታት ዝሰዓበ ኣይ ውግእ-ኣይሰላም ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ ህዝብታት ዘሰዓቦ በሰላን ዕንወትን ማህሰይትን ክንድዚ ኢልካ ክዝርዘር ዝከኣል ኣይኮነን ኢሉ’ሎ። ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) ነቲ ብይን ኮምሽን ዶብ ዝምልከት መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ\/ር ኣብይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ደገፉ ድሕሪ ምግላፅ ፡ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሎሚ ግና ዘረባ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብግብሪ ክትግበር ተስፋ ንገብር እቲ መስርሕ ኣብ ምሕንጻጽ ዶብ ከይተሓጽረ፡ ዝምድና ናይ ክልቲኡ ኣሕዋት ህዝብታት ናብ ንቡር ንክምለስ ውዓል ሕደር ዘይብሃሎ ጉዳይ ምዃኑ ነገንዝብ ኢሎ። ዶብ ክሕንጸጽ ዝሕግዙን ብዕቱብ ኣቃልቦ ክወሃቦም ዘለዎም ግብራዊ ስጉምትታ ዝበሎም’ዉን : ኢትዮጵያ ካብ ኩሉ እቲ ዘሰሓሕብ ሒዛቶ ዘላ ቦታ ሰራዊታ ከተውጽእ: ነቲ ኢትዮጵያ ዝገደፈቶ ቦታትት ዓቀብቲ ሰላም ናይ ውድብ ሕቡራትሃገራት ክቖጻጸርዎ፡ እቲ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ናይ ኮምሽን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ዶብ ኣብ ባይታ ናይ ምሕንጻጽ ትግባረ ስራሕ ከም ብሓዲሽ ክጅመር፡ኣብቲ ዶብ ናይ ምሕንጻጽ መስርሕ ዘድሊ ምዝርራብ መንግስቲ ኤርትራ ቕርቡነቱ ብግብሪ ከረጋግጽ ዝብሉ’ዮም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%A4%E1%88%9D%E1%8B%B2%E1%88%B0%E1%88%98-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95\/4441144.html"} {"headline":"ኣብ ዓዲግራት ንውሳነ ኢህወዴግ ዝቃወም ሰልፊ ውዒሉ","content":"ኣሻሓት ተወለድቲ ዓዲ ኢሮብን ነበርቲ ዓዲግራትን፣ ነቲ ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ግንባር ኢትዮጵያ (ኢህወዴግ) ንውዕል ኣልጀርስን ብይን ኮምሽን ዶብን ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ ሎሚ ሓሙስ ብሰልፊ ተቓዊሞም። ንህዝቢ ዘየማኸረ ውሳነ ተቐባልነት መታን ከይረክብ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ዓለም ለኻዊ ትካላት ከምዝገልጹ’ውን ሓቢሮም። ንሰልፊ ዓዲግራት ካብ ሞንጎ ዘዳለው ሓደ ኣቶ ካሕሳይ ‘ኣብ ክልላት ከይወረደ፣ ናብ ቤት ምኽሪ ከይቀረበ፣ ኣብ ህዝቢ ከይወረደ፣ ኣብ ኣዲሳበባ ኮይኖም ሙሉእ ንሙሉእ ተቐቢልና ኣለና ዝብል ውሳነ ኮኒና ኣለና’ ኢሎም። ኣቶ ካሕሳይ ‘መንግስቲ ኢትዮጵያ ህዝቢ ነቲ ውሳነ ይቃወሞ ከምዘሎ ፈሊጡ ናብ ፓርላማ ኣቕሪቡ ንከየጽድቖ ንምሕታት’ዩ ዕላማና’ ኢሎም። ካብ ካቶሊካዊ ቤተክርስትያን ኣባ ሓጎስ ዝተባሃሉ ብወገኖም ‘ከምዚ ዝዓይነቱ ራዕዲ ዘለዎ ውሳነ ምውሳን ናይ ህወሓትና ኣመል ኣይኮነን፣ ናይ ትግራይና ኣመል ኣይኮነን፣ ካበይ ከምዝመጸ ንጹር ኣይኮነልናን። ይቕረታ ክንሕተት’ዩ ዝግባኣና’ ኢሎም ኣለው። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/adigrat-and-erob-people-demontrate-against-the-decision-of-eprdf\/4439521.html"} {"headline":"ህውሓት፡ እዋናዊ ኩነታት ብቕልጡፍ ንምርኣይን ንምግምጋምን ህፁፅ ኣኼባ ፈፃሚ ስራሕን ቤት ምኽርን ኢህወዴግ ጸዊዑ","content":"ማእኸላይ ኮሚቴ ህውሓት ህፁፅ ኣኼባ ፈፃሚ ስራሕን ቤት ምኽርን ኢህወዴግ ፀዊዑ።ህውሓት ንጉዳያት ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን መሸጣ ኣክስዮን መንግስታዊ ትካላትን ዝምልከት ውሳነ ንህዝቢ ዝተገልፀሉ ኣድላዩ መስርሕ ከይተዛዘመ እዩ ኢሉ።ሕገን ስርዓትን ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘይተኸተሉ ዝበሎም ምደባ ሓለፍቲ ክእረም እውን ሓቲቱ’ሎ። ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ\/ህውሓት\/ ድሕሪ ናይ ሰለስተ መዓልታት ህፁፅ ኣኼባ ትማሊ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ንጉዳይ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝወሰኖ ውሳነ ነባሪ ሰላም ዘምፅእ ስለዝኾነ ግቡእ ምዃኑ ገምጊሙ’ሎ ይብል። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኢትዮ ቴሌኮምን ሓዊሱ ዓበይቲ ኩባኒያታት መንግስቲ ውሱን ኣክስዮን ንናይ ውሽጥን ወፃእን ሰብ ሃብቲ ክሽየጥ ብፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ዝተወሰነ ምቕባሉ እውን ህውሓት ገሊፁ’ሎ። ውሳነ ጉዳያት ዶብ ኢትዮ-ኤርትራን መሸጣ ኣክስዮን መንግስታዊ ትካላት ልምዓትን ዕላዊ ዝተገብረሉ እዋን ግን ኣይተቐበሎን።እቲ ውሳነ 180 ኣባላት ናብ ዝሓቖፈ ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ኣይቀረበን፣ኣጋር ውድባት ኣይተሳተፍሉን፣ዝምልከቶም ኣካላት እውን ብዝርዝር ኣይተመያየጥሉን ኢሉ’ሎ።ከም ናይ መወዳእታ ውሳነ ንህዝቢ ምእዋጁ ጉድለት ምዃኑ ደምዲሙ’ሎ ይብል። መግለጺ ህውሓት ኣብ ኢህወዴግ ይካየድ ዘሎ ምደባ መሪሕነት\/ሽመት\/ ናይቲ ውድብ ስርዓትን ኣሰራርሓን ዘይተኸተሉ ብምዃኖም ክእረሙ ማእኸላይ ኮሚቴ ህውሓት ይሓትት ይብል ። ነባር ኣባላት መሪሕነት ህውሓት ኣፍልጦ ክወሃቦም ምውሳኑን ሰላማዊን ሕጋውን መንገዲ ተኸቲሎም መማረፂ ሓሳብ ምስ ዘሰጉሙ ሓይልታት ሓቢሩ ንምስራሕን ድልዊ ምዃኑ ገሊፁ’ሎ። እቲ መግለጺ እዋናዊ ኩነታት ብቕልጡፍ ንምርኣይን ንምግምጋምን ህፁፅ ኣኼባ ፈፃሚ ስራሕን ቤት ምኽርን ኢህወዴግ ንክፅዋዕ ማእኸላይ ኮሚቴ ህውሓት ይሓትት ኣሎ ይብል ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%8A%A9%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%89%95%E1%88%8D%E1%8C%A1%E1%8D%8D-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8C%8D%E1%88%9D%E1%8C%8B%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%88%85%E1%8D%81%E1%8D%85-%E1%8A%A3%E1%8A%BC%E1%89%A3-%E1%8D%88%E1%8D%83%E1%88%9A-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95%E1%8A%95-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%88%85%E1%8B%88%E1%8B%B4%E1%8C%8D-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%91\/4439321.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወ\/ጊዮርጊስ","content":"No media source currently available","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B3%E1%8B%B0%E1%88%AD-%E1%8B%93%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%83%E1%8A%95-%E1%8B%88-%E1%8C%8A%E1%8B%AE%E1%88%AD%E1%8C%8A%E1%88%B5\/4439208.html"} {"headline":"ዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ንስምምዕ ኣልጀርስ ንምትግባር ዘሕለፎ ውሳነ ምሕጓሶም ተገሊጹ","content":"ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ኮሚተ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ንስምምዕ ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምትግባሩ ከምዝወሰነ ዝሃቦ መግለጺ ከምዘሓጎሶም ወሃቢ ቃል እቲ ትካል ስቴቨን ዱኻርክ ሓቢሮም። እቶም ዋና ጸሓፊ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ እዋን ዕለታዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዝሃብዎ መርብሂ’ዮም ነዚ ተዛሪቦም። “ዋና ጸሓፊ ሕ\/ሃ ካብ ኮሚተ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ዝተዋህበ ንስምምዕ ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶብን ንምትግባር ዝተዋህበ መግለጺ ተሓጉሶም’ዮም ክብል እኽእል።” እቶም ወሃቢ ቃል ብተወሳኺ እቲ ውሳነ ንቕድሚት ንኽከይድ ድልየት ሕቡራት ሃገራት እውን እዩ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%8A-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8D%88%E1%8C%BB%E1%88%9A-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8A%A2%E1%88%85%E1%8B%88%E1%8B%B2%E1%8C%8D-%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%8C%80%E1%88%AD%E1%88%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%8B%98%E1%88%95%E1%88%88%E1%8D%8E-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%93%E1%8C%8E%E1%88%B6%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%BE%E1%88%9D\/4437569.html"} {"headline":"ደብዳበ ማተሰኣ ንቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድን መልሲ ኢሳትን","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ናይ ኢትዮጵያዊያን መራኸቢ ማዕኸናት ናብ ሃገሮም ኣትዮም ክሰርሑ ፃውዒት ምቕራቦም ይዝከር።ኣብ ኣሜሪካ ዝመደብሩ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ\/ማተሰኣ\/ እቲ ፃውዒት ንኢሳት ከይሓውስ ዝፅውዕ ደብዳበ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ናብ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ፅሒፉ’ሎ። ዳይረክተር ማተሰኣ ኣቶ ኣሉላ ሰለሞን ‘’ኢሳት 6 ታሕሳስ 2016 ኣ\/ፈ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ምጥፋእ ዘርኢ ብዕሊ ስለዝኣወጀ ይቕሬታ ከይሓተተን ካብ ተግባራቱ እውን ከይተኣደበን ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ክሰርሕ ምዕዳም ጌጋን ንሕገ መንግስቲ እውን ዝፃባእን እዩ’’ይብል።ኣብ ልዕሊ ኢሳት ክሲ ንምምስራት ኣብ ከይዲ ከምዝርከብ እውን ገሊፁ’ሎ። ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣቶ ኣበበ ገላው ኣብዝሃቦ መልሲ እቲ መግለፂ ናይ ኢሳት ከምዘይኮነን የግዳስ ከም ሚዲያ ዝተልኣኸሉ ምዃኑ ሓቢሩ።’’እቲ ጌጋ ስለዝተረዳእና ኣብ ውሽጢ 30 ደቓይቕ ካብ መርበብ ሓበሬታ ኣልዒልናዮ ኢና፤ኮይኑ እውን ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ቃላት ተዘይኮይኑ ንህዝቢ ትግራይ ንምጭፍጫፍ ዝብል ትሕዝቶ የብሉን፤ዘልዓልናዮ እውን ንደረጃ ኢሳት ስለዘይምጥን እዩ’’ኢሉ። ካብ ማተሰኣ ዝቐረበ ዝኾነ ይኹን ክሲ ከምዘየለን ጭብጢ ስለዘይብሉ ንቕድሚት እውን ዘኽስስ ከምዘይኸውንን ወሲኹ ገሊፁ ኣሎ ኣቶ ኣበበ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/union-of-tigreans-in-north-america-letter-to-prime-minister-abiy\/4437550.html"} {"headline":"መኢኣድ ፡ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ንውዕል ኣልጀርስ ንምቅባል ዘሕለፎ ውሳነ ከምዝቓወም ገሊጹ","content":"ውድብ ሓድነት መላእ ኢትዮጵያ (መኢኣድ) ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ስምምዕ አልጀርስ ምቅባሉ ሓላፍነት ዝጎደሎ ተግባር’ዩ ክብል ተቓውምኡ ገሊጹ። እቲ ውድብ ሎሚ ኣብ ዝጸውዖ ጋዜጣዊ መግለጺ ነቲ ብጽሑፍ ዝወጸ መግለጺ ብንባብ ኣቅሪቡ’ሎ። መኢኣድ ኣብቲ መግለጺኡ ኢህወዲግ ን27 ዓመታት ስልጣን ካብ ዝሓዘሉ ጊዜ ጀሚሩ ኣብ ረብሓ’ታ ሃገር ክሕደት ፈጺሙ’ዩ ድሕሪ ምባል ንውሳነ ኮሚሽን ዶብ ምቅባል ግን ንባድመ ሓዊሱ ሓያለ ግዝኣት ኢትዮጵያ ንኤርትራ ዝህብን ረብሓ ኢትዮጵያ ዝደፈረ ንስውኣት’ታ ሃገር ዘርከሰን’ዩ ኢሉ። ናይቲ ውድብ ሓላፊ ጉዳያት መንእሰያት ኣብ እዋን’ቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ካብ ዝበልዎ ነቲ ውሳነ ምቅባል ነቲ ዘሎ ጸገም ሰላም ዘይፈትሕን ዘጋድድን’ዩ። “ወራሪ ሻዕብያ ከሎ ድልየት ሻዕብያ ምምላእን ባድመ ምሃብን ወረራን ጥፍኣትን ምትብባዕ’ዩ ኢልና ኢና ንኣምን” ኢሉ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%A2%E1%8A%A3%E1%8B%B5-%E1%8D%88%E1%8C%BB%E1%88%9A-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8A%A2%E1%88%85%E1%8B%88%E1%8B%B2%E1%8C%8D-%E1%8A%95%E1%8B%8D%E1%8B%95%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%8C%80%E1%88%AD%E1%88%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%85%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%8B%98%E1%88%95%E1%88%88%E1%8D%8E-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%93%E1%8B%88%E1%88%9D-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4437551.html"} {"headline":"ህወሓት ከካይዶ ዝቐነየ ኣኼባ 9 ነጥብታት ዝሓዘ መግለጺ ብምውጻእ ዛዚሙ","content":"ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህውሓት) ኣብ መቐለ ዘካየዶ ናይ ስለስተ መዓልታት አኼባ ትሸዓተ ነጥብታት ዝሓዘ መግለጺ ብምውጻእ ሎሚ ዛዚሙ’ሎ። እቲ መግለጺ ብፍላይ ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ 28 ግንቦት, 2018 ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባን ዘውጽኦ መግለጺን ዝተኾረ’ዩ። ህወሓት ኣብ መግለጺኡ እቲ ኮሚተ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ኣብ ቀረባ ዘሕለፎ ውሳነ ንጸገም ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምፍታሕ ዘቐመጦ ኣንፈት ኢህወዲግ ኣቐዲሙ ክኽተሎ ካብ ዝነበረ ዘይተፈልየን ነባሪ ሰላም ዘምጽእን ስለዝኾነ ግቡእን እዋናውን’ዩ ኢሉ ከም ዝአምን ገሊጹ’ሎ። ኮሚተ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ንትካላት ልምዓት መንግስቲ ሕጂ ንሕጂ ብዘገጠሞ ሃገራዊ ኢኮኖሚያዊ ጸገም ንቴሌኮሚኒኬሽን፡ መፈልፈሊ ጸዓት፡ መንገዲ ኣየርን ካልኦትን ኣመልኪቱ ዘሕለፎ ውሳነ ኢህወዲግ ኣቐዲሙ ይስዕቦ ምስ ዝነበረ ፖሊስ ዘይጋጨውን ኢህወዲግ ኣብ ቀዳሞት ኣኼባታቱ ዝወሰኖም ምዃኑ ብምርግጋጽ ብዝለዓለ ጥንቃቐ ክትግበሩ መጸዋዕታ የቕርብ ክብል መግለጺ ህውሓት ይሕብር። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B6-%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%8A%90%E1%8B%A8-%E1%8A%A3%E1%8A%BC%E1%89%A3-9-%E1%8A%90%E1%8C%A5%E1%89%A5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%93%E1%8B%98-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%89%A5%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%8C%BB%E1%8A%A5-%E1%8B%9B%E1%8B%9A%E1%88%99\/4437528.html"} {"headline":"932 ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ካታንያ ኣትዮም","content":"932 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጀልባ ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ኣብ ወደባዊት ከተማ ካታንያ ሲሲሊ ምእታዋ ተገሊጹ። እዛ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጀልባ ሎሚ ረቡዕ ኢጣልያ ዝኣተወት፡ ኢጣልያ ኣብ ወደባታ ከይትዓርፍ ዝከልከለታ ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ናብ ስጳኛ ኣብ ዘምረሓትሉ እዋን’ዩ። ካብቶም ሎሚ ረቡዕ ከተማ ካታንያ ዝኣተው ስደተኛታት 208 ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ኽኮኑ ከለው 13 ድማ ነፍስ ጾር ደቂ ኣንስትዮ ይርከብዎም። እቶም ስደተኛታት ካብ ሃገራት ኤርትራ፡ሱዳን፡ማሊ፡ኣይቨሪስኮስትን ጊኒን ዝመጹ እዮም። ወሃቢት ቃል ትካል ሴቭ ዘ ችልድረን ጂዮቫኒ ደ በነዲቶ “ እቶም ስደተኛታት ብጣዕሚ ደኺሞም ኢና ረኺብናዮም። ብዙሓት ህጻናት ኣለው። እቲ ዝነአሰ ወዲ ሰለስተ ወርሒ ህጻን እዩ። ገለ ምስ ስድራ ቤቶም ክኾኑ ከለው ብዙሓት አላይ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ህጻናት’ውን ኣለው” ኢለን። እቶም ስደተኛታት ኣብ ወደባዊት ከተማ ካታንያ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን ካብ ንትርፊ ዘይሰርሕ ትካላት ዝተዋጽኡ ሰልፈኛታት “ሕጊ ባሕሪ ይከበር”፡ “መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ደው ይበል” ዝብል ጭርሖታት ብምሓዝ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዶም ኣለው። ኢጣልያ ብ“ሓካይም ብዘይዶብ” ዝተባህለ ትካል ትውነን ኣስታት 600 ስደተኛታት ዝጸዓት መርከብ አኳይረስ ኣብ ወደባታት ከይትዓርፍ ዘሕለፈቶ ውሳነ ከምዝጸንዓ እንተኾነ ወሃቢት ቃል \"ሓካይም ብዘይዶብ\" ግን ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ናይ ምድሓን ስርሒት ከምዝቕጽልዎ ሓቢረን ኣለዋ። ንሰን ብተወሳኺ “ፍሎቲላ” ዝተባህለት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ትርከበን መርከብ ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያን መርከብ “ሓካይም ብዘይ ዶብ”ን ዝጸዓንዎም ስደተኛታት ሒዘን ቀዳም ኣብ ወደብ ስጳኛ ቫለንስያ ክበጽሓ ትጽቢት ከምዘሎ ሓቢረን። No media source currently available ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማርኮ መንግስቲ ኢጣልያ ብዓለምለኸ ሕጊ መሰረት ነዞም ዝበዝሑ ካብ ትሕተ ሰሃራ ሃገራት ዝኾኑ ስደተኛታት ናይ ምቅባል ግዴታ ኣለዎ ክብሉ ነቲ ስጉምቲ ኢጣልያ ኮኒኖም ኣለው። ፈረንሳ ነቲ ንጉዳይ ስደተኛታት ብዝምልከት ኣብ መንጎ ሕብረት ኣውሮጳ ዝሰፈረ ውጥረት እውን ገኒሓቶ ኣላ። እቶም ስደተኛታት ናይ ዘምርሑላ ወደባዊት ከተማ ቫለንስያ ስጳኛ ዞባዊ ምምሕዳር ምክትል ፕረዚደንት ሞኒካ ኦልትራ “ነቶም ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎምን ነፍሰጾራትን ዘገልግሉ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ናብታ ወደባዊት ከተማ ተዋፊሮም ኣለው፡ ገለ ብብርቱዕ ጸሓይ ቆርበቶም ዝቆሰለ ሰባት ከምዘለው’ውን ንፈልጥ ኢና። ብተወሳኺ ሚንስትር ፍትሒ ጉዳዮም ንምቕልጣፍ ክሰርሕ’ዩ” ኢለን ኣለዋ። ኢጣልያ ነቶም ስደተኛታት ንምግዕዓዝን ነተን መራክብ ንምስናይ ክልተ መራኽብ ምስዳዳ’ውን ተፈሊጡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%A8%E1%88%8B%E1%8B%AD-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%8B%9D%E1%8B%B0%E1%88%93%E1%8A%91-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%89%B3%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%88%9D\/4437126.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ኦሮምያ ልዕሊ 150 ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽዮም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ካብ ፍሉይ ፖሊስ ክልል ሶማል ምስ ዝፍጸም መጥቓዕቲ ብዝተሓሓዝ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ልዕሊ 150 አብያተ ትምህርቲ ከምዝተዓጽወን ዝተዘረፈን ብምኳኑ ኣገልግሎት ምምሃር ምስትምሃር ተቋሪጹ ክብሉ ካብ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ትምህርቲ ክልል ኦሮምያ ዶ\/ር ቶላ በርስ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም። እዚ ምስቶም ካብ ጂጂጋ ተመዛቢሎም ዝመጹ ተማሃሮ ክድመር ከሎ 65 ሽሕ ተማሃሮ ካብ ትምህርቶም ተዓናቒፉ’ሎ ክብሉ እውን ገሊጾም። ካብ ጂጂጋ ካብ ዝመጹ ተማሃሮ እቶም 22 ሽሕ ዝኾኑ ተማሃሮ ብዝተፈላለዩ ምክንያት ሕጂ’ውን ናብ ትምህርቲ ኣይተመለሱን ክብሉ ዶ\/ር ቶላ በርስ ገሊጾም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-150-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8B%AB%E1%89%B0-%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8C%BD%E1%8B%AE%E1%88%9D\/4435800.html"} {"headline":"ገዛኢ ፓርቲ ክልል ኦሮምያ ልዕሊ 2 ሽሕ አባላት ኣመራርሓ ካብ ሓላፍነት ከምዘልዓለን ኣፍሊጡ","content":"ገዛኢ ፓርቲ ክልል ኦሮምያ ኦህዴው ኣብ ዝተፈላለየ ብርኪ ዝርከቡ ኣሽሓት አባላት ኣመራርሓ ስጉምቲ ወሲደ ክብል ኣፍሊጡ። ዘይግባእ አሰራርሓ ይስዕቡ ኔሮም ንዝበሎም ልዕሊ 2 ሽሕ አባላት ኣመራርሓ ካብ ሓላፍነት ከምዘልዓለን 540 ዝኾኑ ድማ ደረጃኦም ከምዘትሓተን ልዕሊ 3 ሽሕ ዝኾኑ ኸአ ካብ ኣባልነት ከምዝስረዘን ህዴው አፍሊጡ’ሎ። ኣብቲ ኣብ ከተማ አዳማ ዝተኻየደ ውድባዊ ጉባኤ ኦህዴው አቦ መንበሩ ዝኾኑ ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ እውን ተረኺቦም ኔሮም። ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ኦሮምያ ዝነብሩ ተወላዶ ካልኦት ክልላት’ውን ብዘይ ስግኣት ክነብሩ ዝኽእልሉ ኣብ ኹሉ ብርኪ ዘሎ ኣመራርሓ ነዚ ከተግብር ውሳነ ሓሊፉ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%88%E1%8B%9B%E1%8A%A2-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-2-%E1%88%BD%E1%88%95-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AB%E1%88%AD%E1%88%93-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8D%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8D%E1%8B%93%E1%88%88%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4435786.html"} {"headline":"ፍሉይ ሓይሊ ሶማል ኣብ ክልል ኦሮምያ ብዝፈጸሞ መጥቓዕቲ ህይወት ሰባት ምጥፍኡ ነበርቲ ሓቢሮም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ወረዳ ጭናክሰን ፍሉይ ሓይሊ ሶማል ብዝፈፀምዎ መጥቓዕቲ ህይወት ብዙሓት ሰባት ምጥፍኡ ነበርቲ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም። ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሎሚ ሶኑይ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማል ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሩ ብዝፈጸሞ መጥቓዕቲ 14 ሰባት ከምዝተቐትሉ ገሊፁ። እቲ ትካል ዓርቢ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ድማ ካብ ክልላት ኦሮሚያን ቤንሻንጉል ዝተመዛበሉ ተወልደቲ ክልል ኣምሓራ ምላሽ ክውሃቦምን ኣድላዪ ሓለዋ ክግበረሎምን ፀዊዑ’ሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓሌት መሰረት ዝገበሩ መጥቓዕትን ምስኡ ተኣሳሲሩ ብዝተፈፀሙ ምምዝባላት ደው ንምባል ከምኡ እውን ዜጋታት ሓለዋ ክግበረሎም ክስራሕ ኣለዎ ክብል ኣምነስቲ ገሊጹ። ብኻልእ ዜና ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባታት ምብራቕን ምዕራብን ጉጂ ኣብ ዝርከቡ ኣዋሰንቲ ወረዳታት ግጭት ተላዒሉ ህይወት ብዙሓት ሰባት ምጥፍኡ ተፈሊጡ። ብሰንኪ እቲ ግጭት ኣዚዩ ብዙሕ ህዝቢ ከምዝተመዛበለ እውን ዝበጽሓና ፀብፃብ ይሕብር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8D%8D%E1%88%89%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%8D%88%E1%8C%B8%E1%88%9E-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%93%E1%8B%95%E1%89%B2-%E1%88%85%E1%8B%AD%E1%8B%88%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%8B%99%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8C%A5%E1%8D%8D%E1%8A%A1-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/4434123.html"} {"headline":"ዘተ ቅኒት መዝሙር ሰላም ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ","content":"ቅኒት መዝሙር ሰላም ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝብል ትማሊ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ዘተ ከምዝተኻየደ ዝበፅሐና ዜና ሓቢሩ። ኣብቲ ኢትዮጵያዊያንን ኤርትራዊያንን ዝተሳተፍሉ ኣኼባ ካብ ከባቢ ዶብ ዝርከባ ዝተፈላለያ ወረዳታት ክልል ትግራይ ዝተዋፅኡ ወኪላት ከምዝነበሩ እውን ፀብፃብ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ኣለም ፍስሃ ካብቲ ቦታ ሓቢሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%89%85%E1%8A%92%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8B%9D%E1%88%99%E1%88%AD-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88-%E1%89%B0%E1%8A%BB%E1%8B%AD%E1%8B%B1\/4434093.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ኣብ ኣጠቃቕማ ማይ ፈለግ ኒል ንብጽሒት ግብጺ ከምተኽብር አረጋጊጻ","content":"ኢትዮጵያ ንማይ ኣባይ ክትጥቀም ከላ ንድልየት ግብፂ ኮነ ሱዳን ከም እትርዳእን ብፂሒተን እውን ከም እተኽብረለንን ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ተዛሪቦም። ቀዳማይ ሚንስትር አብይ ንፈለማ ግዜ ኣብ ግብፂ ዑደት ገይሮም ኣለው።ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ግብፂ ዘፍትሑዎም 32 ኢትዮጵያዊያን ምስኦም ሒዞም ሎሚ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተው ካብ አዲስ አበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ይገልጽ። No media source currently available ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ኣብዚ ናይ ግብጺ ዑደቶም ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ አልሲሲ ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ንማይ ዓባይ ክንጥቀም ከለና ንዓኻትኩም ናይ ምጉዳእ ድልየት የብልናን ክብሉ መረጋገጺ ሂቦም አለው። ብዝተኣሳሰረ ዜና ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ግብፂ ቅድሚ ምጋሾም ኣብ ኡጋንዳ ዑደት ኣብ ዝፈፀምሉ መዳለያ ተሸሊሞም ኣለው።ፕረዝዳንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሶቮኒ ነቶም ቀዳማይ ሚንስትር ነዚ መዳሊያ ዝሃቡዎም ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ምርግጋእን ንምዕሳል ዝስዓብዎ ኣተዓራቒ ኣመራርሓን ንኤርትራ ብዘቕረብዎ መፀዋዕታ ሰላምን እዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8C%A0%E1%89%83%E1%89%95%E1%88%9B-%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%8D%88%E1%88%88%E1%8C%8D-%E1%8A%92%E1%88%8D-%E1%8A%95%E1%89%A5%E1%8C%BD%E1%88%92%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%8C%BA-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%89%B0%E1%8A%BD%E1%89%A5%E1%88%AD-%E1%8A%A0%E1%88%A8%E1%8C%8B%E1%8C%8A%E1%8C%BB\/4434084.html"} {"headline":"ርእይቶታት ኢትዮጵያዊያን ምሁራትን ተሓለቕቲ መሰላትን ንውሳነ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስምምዕ ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶብን ምሉእ ንምሉእ ተቐቢሉ ክትግብሮ ከምዝወሰነ ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ድሕሪ ምፍላጡ: ዝተፈላለዩ ዜጋታት ዝተፈላለየ ስምዒታቶም ምግላጾም ቀጺሎም ኣለዉ። ንሎሚ ሰለስተ ዝተፈላለየ ኣርኣእያ ዘለዎም ምሁራትን ፖለቲካዊ ተሓለቕትን ዓዲምና`ለና። ዶ\/ር ደረጀ ፈይሳ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መምህርን፡ ኣብ ኢንስቲቱት ሰላምን ህይወትን ተመራማርን`ዩ። ካልእ ድማ ዶ\/ር ኣወል ቃሲም ኣሎ ይብሃል፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ሓደ ዩኒቨርሲቲ መምህር-ሕጊ`ዩ። ሳልሳዮም ድማ ኣቶ ሃብታሙ ኣያሌው፡ ኣብ ኢትዮጵያ ወሃቢ-ቓል ተቓዋሚ ፓርቲ ዝነበረ፡ ድሓር ተኣሲሩ ምስ ወጸ ኣብ`ዚ ኣብ ኣመሪካ ተቓላሳይ ሰብኣውን ፖለቲካውን መሰላት`ዩ። No media source currently available","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%AD%E1%8A%A5%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%81%E1%88%AB%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%88%E1%89%95%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%8D%88%E1%8C%BB%E1%88%9A-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8A%A2%E1%88%85%E1%8B%88%E1%8B%B2%E1%8C%8D\/4430822.html"} {"headline":"ነበርቲ ከተማ ዳማት ኢሮብ ንውሳነ ኢህወዲግ ንምትግባር ስምምዕ አልጀርስ ተቓዊሙ","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ምብራቓዊ ዞባ ዝርከብ ህዝቢ ዳማት - ኢሮብ ነቲ ኢህወዴግ ንውዕል ኣልጀርስን ብይን ኮምሽን ዶብን ተቐቢለ ከተግብሮ’የ ዝብል ውሳነ ተቓዊሞሞ። እቲ ብአፍልጦ’ቲ ወረዳን ብሰላማዊ ኣገባብን ዝተኻየደ ሰልፊ ንክደናጎይ ህወሓት ሓቲቱ ነይሩ። ኣማሓዳሪ’ቲ ወረዳ ኣቶ ንጉሴ ሓጎስ ንሕቶ ህወሓት ከምዝነጸጎን ናብ’ቲ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝወጸን ሓቢሮም። ኣብ’ታ ንእስ ዝበለት ከተማ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ነበርቲ ከምዝተቓወሙ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም ኣለው። ሓደ ኣብ’ቲ ሰልፊ ዝዋዓሉ ኣቶ ወልዴ ብስራት ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ንኡስ ብሄር ኣብ ክልተ እንተተኸፊሉ ከምዘይነበረ’ዩ ዝኸውን ኢሎም። ‘’ህዝቢ ኢሮብ ደላዪ ሰላም’ዩ ግን ፍትሒ ዘይብሉ ሰላም የለን። ፍትሒ ኣደ ሰላም’ያ’’ክብሉ ገሊፆም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%88%AE%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%8A%A2%E1%88%85%E1%8B%88%E1%8B%B2%E1%8C%8D-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%8A%A0%E1%88%8D%E1%8C%80%E1%88%AD%E1%88%B5-%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%8A%E1%88%99\/4430860.html"} {"headline":"ዕላማ መግለጺ ህወሓት ንጽውጽዋያት ኣብ ጉዳይ ውዕል ኣልጀርስ ንምብዳህ'ዩ ይብል ክልል ትግራይ","content":"ገዛኢ ፓርቲ ትግራይ ህወሓት ንረብሓ ትግራይ ኣብ ዝጎድእ ተግባራት ከምዘይሳተፍ ሎሚ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ መግለጺ ‘ሰላም ክልቲኤን ሃገራት ንምርግጋጽ ተባሂሉ ዝወጸ መግለጺ ኢህወዴግ ብዝኾነ መምዘኒ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዝጎድእ ኣይኮነን’ ይብል። ርክብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብምፍታሕ ርክባት ናብ ንቡር ንምምላስ ዝግበር ጻዕሪ ዕውት ንክኸውንን ዘላቒ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ንክረጋገጽን ዝተጀመረ ጻዕሪ ክቕጽል’ዩ’ውን ይብል እቲ መግለጺ። ሓላፊ ቢሮ ርክብ ህዝቢን መንግስቲን ክልል ትግራይ ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም ‘ዕላማ ሎሚ ዝወጸ መግለጺ ህወሓት ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ይዝረበሉ ዘሎ መደናገሪ ሪኢቶታት ንምእራም’ዩ ካብኡ ዝሰገረ ግና ኣሕሊፍና ንህቦ መርየት የለን፣ ናይማትና መርየት’ውን ኣይንወስድን’ ኢሉ። ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዴግ ኣብ’ዚ ቅነ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ስለ ረብሓ ህዝቢታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ተባሂሉ ብይን ኮምሽን ዶብን ውዕል ኣልጀርስን ተቐቢሉ ንምትግባሩ ከምዝተዳለወ ከምዝገለጸ ዝዝከር’ዩ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/tigray-tplf-eprdf-press-statement-eritrea-ethiopia-badme-\/4430827.html"} {"headline":"መግለጺ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ምልዓል አዋጅ ህጹጽ እዋን ኢትዮጵያ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሓ አዋጅ ህጹጽ እዋን ምልዓሉን ሓድሽ ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ዝወስድዎ ዘለው ካልኦት አወንታዊ ስጉምቲታት ስዒቡ ዝመጸ’ዩ ክብል ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ዝውሰድ ዘሎ አወንታዊ ስጉምቲታት’ውን ኢትዮጵያ ዝሓሸ ነገር ንምህናጽ ትገብሮ ጻዕሪ ወሰንቲ’ዮም ክብሉ ወሃቢ ቃል’ቲ ኤምባሲ ኒኮላስ በርነት ገሊጾም። ኣብ አዲስ አበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ዝሃብዎ መግለጺታት ብዛዕባ’ቲ ዝነበረ አዋጅ ህጹጽ እዋን ግልጺ’ዩ ኔሩ። ፓርላማ ኢትዮጵያ ነዚ አዋጅ ክለዓል ምውሳኑ ወሃቢ ቃል ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኒኮላስ በርነት አወንታዊ ምስ ዝበልዎም ካልኦት ስጉምቲታት’ቶም ሓድሽ ቀዳማይ ሚንስትር አተሓሒዞም ሓቢሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%88%88%E1%8C%BA-%E1%8A%A4%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%B2-%E1%8A%A3%E1%88%9C%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8A%A0%E1%8B%8B%E1%8C%85-%E1%88%85%E1%8C%B9%E1%8C%BD-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/4429181.html"} {"headline":"ጀነራል ሰዓረ መኮነን ሓድሽ ኤታማዡር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ","content":"ጀነራል ሰዓረ መኮነን ሓድሽ ኤታማዦር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ንክኾኑ ብቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ተመሪጾም። ናይ’ታ ሃገር ፕረዚደንት ሙላቱ ተሾመ’ዮም ሎሚ ሓሙስ ንጀነራል ሰዓረ መኮነን ሹመት ኤታማዡር ሹም ኣልቢሶሞም። ንነዊሕ ዓመታት ኤታማዦር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ጀነራል ሳሞራ የኑስ ብቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድን ብፕረዚደንት ሙላቱ ተሾመን ዝላዓለ ክብሪ ተሸሊሞም ከምዝተሰናበቱ’ውን እቲ ዜና ሓቢሩ። ብዘይካ’ዚ፣ እቶም ቀ\/ሚ ንጀነራል ኣደም መሓመድ፣ ዳይረክተር ኣገልግሎት ሃገራዊ ሓበሬታን ድሕነትን ንክኾኑ ሾይሞም ኣለው። ንሶም ንኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ ክትክኡ’ዮም። እዚ ከም’ዚ’ሉ ከሎ፣ ወትሃደራዊ መዓርጎም ተቐንጢጦም ዝነበሩ ሜጀር ጀነራል ዓለምሸት ደግፌን ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌን፣ መዓርጎም ተመሊስሎም። ክልቲኦም ወትሃደራዊ ኣዘዝቲ ነበር ሙልእ ናይ ጡረታ ረብሓኦም ንክረኽቡ’ውን ተወሲኑ። ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ ኣፈ-ጉባኤ ፓርላማ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኣባዱላ ገመዳን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኣቶ ግርማ ብሩን ብጡረታ ተሰናቢቶም ኣለው ብመሰረት ሚድያት መንግስቲ ኢትዮጵያ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-new-appointees-prime-minister-abyi-ahmed-general-seare-mekonen-samora-yenus-getachew-asefa-general-adem-mohamed\/4429115.html"} {"headline":"46 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ምጥሓሎም ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ","content":"“ብመሰረት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት 37 ደቂ ተባዕትዮ፡ 9 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብዎም 46 ስደተኛታት ከምዝጠሓሉን ካልኦት 16 ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ብጠቕላላ 83 ደቂ ተባዕትዮን 17 ደቂ ኣንስትዮ ስደተኛታት ኣብታ ጀልባ ተጻዒኖም ምንባሮም” መግለጺ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ሓቢሩ’ሎ። “ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ብዝሃብዎ ቃል መሰረት ማዕበል ነታ ጀልባ ማዕበል ክሃርማ ምስ ጀመረ ናይ ህይወት አድሕን ጃኬት ዘይነበሮም ስደተኛታት ክርበሹ ከምዝጀመሩን እታ ጀልባ ምስ ተገልበጠት ድማ ጥሒሎም” ክብል መግለጺ ትካል ስደተኛታት ሕ\/ሃገራት ብተወሳኺ ይሕብር። አባላት ዓለምለኸ ትካል ሰደተኛታት ነቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ናይ ሕክምናን መግቢን ሓገዝን ከምኡ’ውን ናይ ሞራል ደገፍ ከምዝተገበርሎም ገሊጾም። እቶም ስደተኛታት ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ኮይኖም ዝሓሸ ናብራ ንምርካብ ናብ የመንን ወሽመጥ ዓረብን የምርሑ ከምዝነበሩ ተፈሊጡ’ሎ። No media source currently available ሓላፊ ክፍሊ ስርሒታትን ህጹጽ ሓገዝ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት መሓመድ ዓብደልኪር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ልዕሊ 7,000 ስደተኛታት ነዚ ሓደገኛን አሰቃዊ ጉዕዞ ከምዝፍጽሙ ብምግላጽ እቲ ትካል ናብ ሃገሮም ንዝምለሱ ስደተኛታት ነጻ ናይ መጉዓዝያ ኣገልግሎት ከምዝህብ ሓቢሮም። ወሃቢ ቃል ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ሊዮናርድ ዶይል ብዛዕባ’ዚ ከምዚ ኢሎም። “አባላት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ናብቲ ቦታ ሓደጋ ማለት ገማግም ባሕሪ የመን ምስ ተጸውዑ ነዚ ኣሰቃቂ ኩነት ተዓዚቦም። ኣስታት 56 ስደተኛታት ብዘሕዝን ኣገባብ ጥሒሎም ኣለው፡ ካልኦት 16 ድማ ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ኣለው። እዚኦም ካብ ሶማል ተበጊሶም ናብ የመን ዘምርሑ ዝነበሩ ስደተኛታት እዮም።” ብተመሳሳሊ ካብታ ብኹናት ሓድሕድ ትሕመስ ዘላ የመን ኣብዚ ሰሙን’ዚ 101 ዝኾኑ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ብመንገዲ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ምምላሶም ይዝከር። ኣቐዲሙ ትማሊ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረባ ኢትዮጵያዊት መንእሰይ ሰብለ ካብ የመን ኩነታት እቶም ካብ ወደባይት ከተማ ሁዴይዳ ናብ ጅቡቲ ዝተወስዱ ስደተኛታት ዘተሓሳስብ ምኳኑ ብምግላጽ እቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኩናት ናብ ዋና ከተማ ሰንዓ ክበጽሕ ከምዝክእል ስግኣታ ትገልጽ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%88%E1%88%9B%E1%8C%8D%E1%88%9D-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%8B%A8%E1%88%98%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8C%A5%E1%88%93%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%95%E1%89%A1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4428599.html"} {"headline":"ዘተ፡ ኣብ ውሳነ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ንምትግባር ስምምዕ ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶብን(1ይ ክፋል)","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስምምዕ ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶብን ምሉእ ንምሉእ ተቐቢሉ ክትግብሮ ከምዝወሰነ ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ትማሊ ምፍላጡ ይዝከር። እዚ ውሳነ ካብቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝሓለፈ ዓመታት ዘንጸባረቖ መርገጺ ዝተፈልየ ምዃኑ`ውን ኣፍሊጡ`ሎ፡ ንኣርባዕተ ምሁራት ማለት ንኣቶ ኣሉላ ሰሎሙን፡ ኣቶ ኢብራሂም ዓብደልኑር፡ ኣቶ ኣብርሃ ደስታ፡ ዶ\/ር ዓወት ወልደሚካኤል ኣዘራሪቡ'ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%8D%88%E1%8C%BB%E1%88%9A-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8A%A2%E1%88%85%E1%8B%88%E1%8B%B2%E1%8C%8D-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%8C%80%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%8A%95-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%8B%B6%E1%89%A5%E1%8A%95\/4427532.html"} {"headline":"“ኢትዮጵያ ንስምምዕ ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶብን ምቕባላ ምስ ኤርትራ ዘሎ ውጥረት ዘህድእ’ዩ” ቀ\/ሚ አብይ አሕመድ","content":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስምምዕ ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶብን ምሉእ ብምሉእ ተቐቢሉ ንምትግባሩ ዝበፅሖ መደምደምታ ምስ ኤርትራ ዘሎ ውጥረት ከም ዘህድኦ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም። ንሶም ወሲኾም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝነበረ ኩነታት እውን ሞት ኣልቦ ውግእ እዩ ኢሎም። ሓደ ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ በዓል ስልጣን ኤርትራ እውን ኤርትራ ቅድሚ 18 ዓመታት ንውዕል ኣልጀርስ ቅድሚ 16 ዓመታት ድማ ንውሳነ ኮሚሽን ዶብ ብዘይ ቅድመ ኩነት ተቐቢላ ክሳብ ሕጂ ንትግባርኦም ክትፅዕርን ክትፅበን ዝፀንሐት ሃገር እያ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%8C%80%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%8A%95-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%8B%B6%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%89%95%E1%89%A3%E1%88%8B-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%9D%E1%8C%B8%E1%8A%95%E1%88%83-%E1%8B%8D%E1%8C%A5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8B%98%E1%8B%B5%E1%88%85%E1%8A%A5-%E1%8B%A9-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A0%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A0%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5\/4427372.html"} {"headline":"ገለ ነበርቲ ባድመ ንውሳነ ኢህወዴግ ዝሃብዎ ግብረ መልሲ","content":"ፈጻሚ ስራሕ ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያ - ኢህወዴግ - ንብይን ኮምሽን ዶብ ኢትዮጵያ-ኤርትራን ንውዕል ኣልጀርስን ተቐቢሊ ከምዘተግብሮ ትማሊ ሰሉስ ኣፍሊጡ’ዩ። ንምዃኑ ነበርቲ ባድመ እንታይ ይብሉ። ኣቶ ነጋሲ ‘ከም’ዚ እንተዝኾን ነይሩ ዳኣ እቲ ኩሉ መስዋእትነት ኣይመድለየን ነይሩ ማለት’ዩ ክብል ከሎ ‘ህዝቢ ከተማ ባድመ ንሽየጥ ኢና ዝብል ዘሎ‘ እውን በለ። ኣቶ ብርሃነ ቀሺ ገ\/ስላሴ ብወገኑ ‘ኣብ’ታ ከተማ ተወሊደን ዓብየን፣ ባድመ መዳሕንተይ ዝተቐበረሉ’ዩ፣ ውሳነ ኮምሽን ዶብ ሸርሒ ኣውሮጳዊያንን ንክልቲኦም ህዝቢታት እናላተመ ንምንባር ዝዓለመን’ዩ’ ኢሉ ገልጾ። ‘ትግባረ ኮምሽን ዶብ ንኢትዮጵያ ዕግርግር ዝፈጥረላ’ምበር ሰላም ዝመልሰላ ኣይኮነን’ውን’ ይብል ኣቶ ብርሃነ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-badme-and-environs-decision-eritrea-ethiopia-badme-residents\/4427478.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ፡ መድረኽን ሰማያዊ ፓርትን ምስ መንግስቲ ልዝብ ንምጅማር ድልዋት ምኳኖም ኣፍሊጦም","content":"ናይ ኢትዮጵያ ተቓወምቲ ውድባት መድረኽን ሰማያዊ ፓርትን ካብ መንግስቲ ሕቶ ልዝብ ከምዝቐረበሎምን ልዝብ ንምጅማር ድልዋት ምዃኖምን ኣፍሊጦም።እቲ ልዝብ ገለልተኛ ናይ ውሽጢ ሃገር መንጎኛ ክህልዎ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣቦ ወንበር ኦፌኮ ዶ\/ር መረራ ጉዲና ኣብዝሃብዎ መግለፂ መድረኽ ሓድሽ ፃውዒት ቀሪቡሉ’ሎ ኢሎም። “ዝሕባእ ነገር የለን።ንልዝብ ሓቲቱና’ሎ።መድረኽ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንልዝብ ዝቐርብ ይመስለኒ።ምምስራት ሃገራዊ ናይ ሓድነት መንግስቲ ንልዝብ ክነቐርቦ ኢና።ሓቃዊ ሰላማዊ ስግግር ኣብዛ ሃገር ንክመፅእ ናብ ኢህወዴግ ንኸይድ ባዶ ኢድና ከይኮነስ እዚ ትሪኦ ዘለኻ ሰነድ ኣዳሊና ንልዝብ ክነቕርቦ ኢና።” ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ተመሳሳሊ ፃውዒት ከምዝቐረበሎም ዝገለፁ ኣቦ ወንበር ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ የሺዋስ ኣሰፋ እውን ከምዚ ኢሎም። “መንግስቲ ዝተፈላለዩ ነገራት ከዕሪ ንምልዛብ ድልው ስለዝኾነ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ልዝብ ነይርኹን ገዲፍኩምዎ ወፅኢኹም ኢኹም።ሕጂ ግን ክትምለሱን ክንዘራረብን ንሓተኩም ኣለና ዝብል እዩ።” ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ብዝተፈላለየ መንገድ ዝቃለሱ ኩሎም ክፍጠር እዩ ኣብ ዝበሉዎ ፖለቲካዊ ሃውህው ኣትዮም ክሕግዙ ምፅውዖም ይዝከር። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%8A%BD%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%88%9B%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%88%8D%E1%8B%9D%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8C%85%E1%88%9B%E1%88%AD-%E1%8B%B5%E1%88%8D%E1%8B%8B%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%B3%E1%8A%96%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A6%E1%88%9D\/4427406.html"} {"headline":"ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ንስምምዕ ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶብን ምሉእ ንምሉእ ከምዝተቐበሎን ከምዘተግብሮን ኣፍሊጡ","content":"ሎሚ አኼብኡ ዝጀመረ ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስምምዕ ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ምሉእ ንምሉእ ተቐቢሉ ንምትግባር ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ። እዚ ውሳነ ካብቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝሓለፈ ዓመታት ዘንጸባረቖ መርገጺ ዝተፈልየ ምኳኑ ተንተንቲ ፖለቲካ ይዛረቡ ኣለው። ብተወሳኺ ኣብ ትሕቲ ዋንነት መንግስቲ ንዝጸንሑ ኣገልግሎት ወሃብቲን ኣፍረይቲ ትካላት ንሰብ ሃብቲ ከመሓላልፍዎ ኣንፈት ኣቐሚጡ'ሎ። ምሉእ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%8A%A3%E1%88%8D%E1%8C%80%E1%88%AD%E1%88%B5%E1%8A%95-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%8B%B6%E1%89%A5%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%89%E1%8A%A5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%89%E1%8A%A5-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%89%B0%E1%89%90%E1%89%A0%E1%88%8E%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%89%B0%E1%8C%8D%E1%89%A5%E1%88%AE%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8B%88%E1%88%B0%E1%8A%90-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4425483.html"} {"headline":"ገዛኢ ሰልፊ ኢትዮጵያ ኢህወዴግ 'ንውዕል ኣልጀርስን ብይን ዶብን ብዘይቅድመ ኩነት ተቐቢሉ ከምዘትግብሮ' ገሊጹ!","content":"'ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝጸንሐ ናይ ዶብ ምስሕሓብ መታን ክፍታሕ ኢትዮጵያ ንውዕል ኣልጀርስን ብይን ኮምሽን ዶብን ብዘይ ቅድመ ኩነት ተቐቢላ ንምትግባር ተሰማሚዓ ኣላ' ይብል ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያ። እቲ መግለጺ ወሲኹ 'ኢህወዴግ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝጽንሐ ዘይምርድዳእ ንከብቕዕ፣ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ህዝቢታት ነባራይ ሰላም ንክዓስል' መጸዋዕታ ከምዘቕረበ ይሕብር። ኣብ 1990 ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተካየደ ኹናት ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝተመዝገቡ ውግኣት ዶብ እቲ ዝኸፍአ ደማዊ ውግእ ኮይኑ ከምዝሓለፈን፣ ካብ ክልቲኡ ወገን ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝሞቱን፣ ከምዝተፈናቐሉን' ጠቒሱ። 'ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ኣብ'ዚ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ዝተፈተኑ ጻዕሪታት ውጽኢታዊ ኣይኮኑን፣ ብምኽንያት'ዚ ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ፍልይ ዝበለ መርገጺ ምስጓም ኣገዳሲ ምኳኑ'ውን' ሓቢሩ። 'ህዝቢታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ቀደሙ'ውን እንተኾነ ኣሕዋት ኢና' ዝብለ መግለጺ ኢህወዴግ 'ብደም፣ ብባህሊ፣ ብቋንቋን ብነዊሕ ሓባራዊ ታሪኽን ዝተኣሳሰሩ ኣህዛብ'ዮም' ይብል። ስለዚኾነ፣ ንረብሓ'ቶም ብረብሓ ጥራሕ ዘይኮነ ብደም'ውን ዝተኣሳሰሩ ኣህዛብ ክልቲኤን ሃገራት ተባሂሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንውዕል ኣልጀርስን ውሳነ ኮምሽን ዶብን ሙሉእ ንሙሉእ ተቐቢሉ፣ ንትግባረኡ ብዘይምጥርጥርን ብቆራጽነትን ዝሰርሕ ምዃኑ' ኣፍሊጡ ኣሎ ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያ ኢህወዴግ። መንግስቲ ኢርትራ ብተርኡ ተመሳሳሊ መርገጺ ክሕዝን ብዘይ ገለ ቅድመ ኩነት ንዝቐረበሉ መጸዋዕታ ሰላም ተቐቢሉ፣ ነቲ ዝነበረ ምሕዝነትን ሓቢርካ ምንባርን ክልቲኦም ህዝቢታትይ ናብ ንቡር ኣብ ምምላስን ዘላቒነቱ ንክረጋግጽን ንግብራዊነቱ ብዘይምጥርጣርን ብቆራጽነትን ንክሰርሕ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዴግ ሓቲቱ'ሎ ይብል። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/eprdf-on-eritrea-boundary-commission-and-algers-agreesment\/4425815.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ሓድነት ንክምስረት ኢህወዲግ ንኽተሓባበር መድረኽ ጸዊዑ","content":"ናይ ኢትዮጵያ ፈደራላዊ ዲሞክራሲያዊ ሓድነት መድረኽ እታ ሃገር ብዝያዳ ክትረጋጋእን ናብ ዝሓሸ ኣንፈት ለውጢ ንከተተኣትው መንግስቲ ሃገራዊ ሓድነት ንክምስረት ኢህወዲግ ንኽተሓባበር ጸዊዑ። ሓድሽ ቀዳማይ ሚንስትር’ውን ንቃሎምን ንህዝቢ ተአማንነቶም ከርእዩ ተላብዩ። ብሰንኪ ፖለቲካ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተአሰሩ ዜጋታት’ውን ክፍትሑ ሓቲቱ። መድረኽ መበል 19 ውድባዊ አኼብኡ ኣብ ዝዛዘመሉ እዋን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እታ ሃገር ናብ ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር ንምስግጋር ተጌይሮም ዝበሎም ቃልስታትን ዘምለጡ ዝበሎም ዕድላትን ጠቂሱ’ሎ። ሕጂ ተፈጢሮም ዝበሎ ዕድል’ውን ከየምልጥ ተላብዩ። ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዲግ ንቅድሚት ከድፍአሉ ይግባእ ዝበሎ ስጉምታት’ውን ዘርዚሩ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%88%85%E1%8B%88%E1%8B%B2%E1%8C%8D-%E1%8A%95%E1%8A%BD%E1%89%B0%E1%88%93%E1%89%A3%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%8A%BD-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%91\/4425649.html"} {"headline":"ክትዕ ኣብ ልዕሊ 'መጸዋዕታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣብ ስደት ዝነብሩ ተፈኻኸርቲ ፓርቲታት'","content":"ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ‘ኣብ ወጻኢ ዝንቀሳቀሱ ተፈኻኸርቲ ውድባትን ፓርቲታትን ኢትዮጵያ፣ ንሕገ መንግስቲ ተቐቢሎም ብሰላማዊ ኣገባብ ክቃለሱ ክሳብ ዝመረጹ ናብ ዓዶም ኣትዮም ክንቀሳቀሱ ዕድመ ከምዘቕረቡ’ ዝዝከር’ዩ። ብመሰረት’ዚ መራሕቲ ዴሞክራሲያዊ ግንባር ኦሮሞ ናብ ዓዲ ኣትይቶም ምስ መንግስቲ ይዘራረቡ ኣለው። 7 ግንቦት’ውን ናይ ስትራተጂ ለውጢ ከታኣታቱ እንተኾይኑ ውሳነኡ ትጽቢት ይግበረሉ። ክልላዊ መንግስቲን ትግራይን ገዛኢ ፓርቲ ህወሓትን’ከ ንተቓወምቲ’ዶ ፍሉይ ጻውዒት ከቕርቡ ይግባእ? በትረ ስልጣን ንክልተ ካብ ሞንጎ መስረቲ ተሓህት\/ህወሓት ዝነበሩ ዶ\/ር ኣረጋዊ በርሀን ግደይ ዘረኣጽዮንን፣ ከምኡውን ሓላፊ ቢሮ ርክብ ህዝቢን መንግስቲን ክልል ትግራይ ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም ኣዘራሪብዎም’ሎ። ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም ‘ንሕገ መንግስቲ ዘኽብሩን ብሰላማዊ ኣገባብ ክሰርሑ ዝንቀሳቀሱን እንተኾይኖም ሓቢርና ክንሰርሕ ንኽእል ኢና’ ክብሉ ከለው ዶ\/ር ኣረጋዊ በርሀን ኣቶ ግደይ ዘረኣጽዮንን ግና ‘ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ህወሓትን ማዕረ ቀ\/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ይንቀሳቀሱ የለውን’ ኢሎም። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/redae-halefom-dr-aregawi-berhe-gidey-zeresion-on-prime-minister-abyi-call-for-exile-opposition-parties\/4424244.html"} {"headline":"ናይ ኦሮሞ ሚዲያ ኔትዎርክ ሓደ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ኢትዮጵያ ምልኣኹ ገሊጹ","content":"ኣብ ኣሜሪካ ዝመደብሩ ናይ ኦሮሞ ሚዲያ ኔትዎርክ\/OMN\/ ኣብ ኢትዮጵያ መራኸቢ ብዙሃን ንምጥያስ ዘኽእሎ ኩነታት ዘፅንዕ ጉጅለ ናብ ኢትዮጵያ ምልኣኹ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ናይቲ ትካል ኣቶ ጀውሃር መሓመድ ገሊፁ። ኣብ ልዕሊ እቲ ትካልን ኣካያዲ ስራሕ ኣቶ ጀውሃር፣ ተሌቪዥን ኢሳትን ኣመራርሓ ግንቦት ሸውዓተን ተመስሪቱ ዝነበረ ክሲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተልዓለ ክኸውን ከሎ ሓፈሻዊ ናይ ሕግን ካልኦት ኣሰራርሓን ንምፅናዕ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ኢትዮጵያ ምጉዓዙ ኣቶ ጀውሃር መሓመድ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፁ። “ካብዚ ካብ ሰሜን ኣሜሪካ ብምኽትል ዳይረክተር መሓመድ ኣብዶሽ ዝምራሕ ካልኦት ክልተ ኣባል መሪሕነት ዝርከብዎ ልኡኽ እዩ ተጓዒዙ።ካብ ካልኦት ስቱዲዮታት እውን ናይ ኤድቶሪያል ኣባላት ክካየዱ እዮም።” ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ሚዲያታት ናብ ሃገሮም ኣትዮም ክሰርሑ ዘቕረብዎ ፃውዒት ናይቲ ትካል ቦርድ ተኣኪቡ ግቡእ ምዃኑ ከምዝገለፀ ዝሓበረ ጀውሃር ዕንቅፋት ዝኾኑ ሕግታትን ኣሰራርሓታትን ንክልዓሉ ሓቲትና ኣብ ልዕሊ ትካሉን ባዕሉን ዝነበረ ክሲ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜን ከምዝተልዓለ ሓቢሩ።ዝተረፉ ዕንቅፋታት እውን ንምፍታሕ ሰበስልጣን ይገልፁ ብምህላዎም ነቲ ጉጅለ ንምልኣኽ ከምዝወሰነ ወሲኹ ገሊፁ። ንሱ ብተወሳኺ ይርአ ዘሎ ተስፋ ምጥቓም ኣገዳሲ እዩ ኢልና ስለዝኣመና እቶም ዕንቅፋት ዝኾኑ ሕግታት ክሳብ ዝልዓሉ ካብ ምፅባይ ሓደ ሓደ ቅድመ ኩነታት ንምስራሕ እቲ ጉጅለ መፅናዕትን ሰሪሑ ምስተመስለ ናብ ውሳነ ክንኸይድን ኢና ኢሉ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9E-%E1%88%9A%E1%8B%B2%E1%8B%AB-%E1%8A%94%E1%89%B5%E1%8B%8E%E1%88%AD%E1%8A%AD-%E1%88%93%E1%8B%B0-%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%88%8D%E1%8A%A1%E1%8A%BD-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%8A%A3%E1%8A%B9-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4424204.html"} {"headline":"`ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ጸወታ-ፓርትታት ዝሳተፍ ክኸውን የብሉን` ቀ\/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ አሕመድ ወታሃደራዊ ሰራዊት’ታ ሃገር ኣብ ጸወታ ፓርቲታት ዝሳተፍን ምስ ዝመጸ መጺኡ ዝኸይድ ክኸውን የብሉን ኢሉ። ዶ\/ር አብይ ነዚ ዝበለ ንኣዘዝቲ ሰራዊት’ታ ሃገር አኺቡ መግለጺ ኣብ ዝሃበሉ እዋን ምኳኑ ቤት ጽሕፈቱ ኣፍሊጡ’ሎ። ቀዳማይ ሚንስትርን ጠቕላሊ ኣዛዚ ሓይልታት ምኽልኻልን አብይ ኣሕመድ ኣብቲ ሚንስትር ምኽልኻል ሞቱማ መቃሳ፡ ሓለቓ ስታፍ ጀነራል ሳሞራ የኑስ ዝአበሉ ነባር ኣዘዝቲ ሰራዊት ኸምኡ’ውን ኣፈ ጉባኤ ነበር አባዱላ ገመዳን ካልኦትን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣኼባ ሰራዊት ምኽልኻል ካብ ፖለቲካዊ ወገንተኝነት ነጻ ዝኾነ መራሕቲ እንተቐያየሩ’ውን ጸኒዑ ደው ዝብል ኽከውን አለዎ ኢሉ። “ኢህወዲግ ፖለቲካዊ ስርሑ ምስራሕ ስኢኑ ብናቱ ስንፍና ወዲቑ እንተኾኑ ህዝቢ ምስ ዝመረጾ ፓርቲ ክቕጽል ዝኽእል ሰራዊት ክኸውን ኣለዎ ምስ ዝመጸ ፓርቲ መጺኡ ዝኸይድ ሰራዊት እንተኾይኑ ኪሳራ’ዩ።” ዶ\/ር አብይ አሕመድ ኣተሓሒዙ ኣብ ጸወታ ፓርቲታት ካብ መጀመርያ ክሳብ መወዳእታ ዘይሳተፍ ሓይሊ ልክዕ ከም ናይ ተዘዋዋሪ ኹናት ብናይ ርሕቐት መቆጻጽሪ ምትእትታው ዝገብር እንተኾይኑን ጽልዋ ዘሕድር እንተኾይኑ ኣብ ሕንፍሽፍሽ ኢና ክንኣትው ሕንፍሽፍሽ ድማ ዘይሩ-ዘይሩ ዝጎድእ ከም ትካል ንሰራዊት ምክልኻል’ዩ\" ኢሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%BB%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%B8%E1%8B%88%E1%89%B3-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%B3%E1%89%B0%E1%8D%8D-%E1%8A%AD%E1%8A%B8%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8B%A8%E1%89%A5%E1%88%89%E1%8A%95-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A3%E1%89%A2%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5\/4424195.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝኣወጆ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ክልተ ወርሒ ቀዲሙ የልዕሎ`ሎ","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝመርሖ ካቢነ ሚንስተራት ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ፡ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ክልዓል ብምስምማዕ ናይ እማመ ሓሳቡ ናብ ፓርላማ`ታ ሃገር ኣሕሊፍዎ`ሎ። እቲ ቤት-ምኽሪ ሚንስትራት ኩነታት ጸጥታ`ታ ሃገር ድሕሪ ምግምጋም፡ ብስሩዕ- ኣገባብ ሕጊ ምኻድ ዝክኣለሉ ኩነታት ተፈጢሩ`ሎ ኢሉ`ሎ። ፓርላማ ኢትዮጵያ ጽባሕ ሰሉስ ነቲ ምልዓል ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ከጽድቖ ትጽቢት ይግበር። እቲ ኣዋጅ እዋን ሓደጋ ንክልዓል፡ ኣሜርካ ትርከቦም ብርክት ዝበሉ ወገናት ክሓቱ ጸኒሖም`ዮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%88%BD%E1%8B%B1%E1%88%BD%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%8B%88%E1%8C%86-%E1%8A%A3%E1%8B%8B%E1%8C%85-%E1%88%85%E1%8C%B9%E1%8C%BD-%E1%8A%A5%E1%8B%8B%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%88%92-%E1%89%80%E1%8B%B2%E1%88%99-%E1%8B%A8%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8E-%E1%88%8E\/4424174.html"} {"headline":"የመን ልዕሊ 130 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ምጥራዛ ተገሊጹ","content":"ሰበ ስልጣን የመን ልዕሊ 130 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ብቐዳም ካብ ወደብ ሆደዳህ ምጥራዞም ኣፍሊጦም። “ሎሚ 132 ዝኾኑ ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ንጥርዝ ኣለና። እዞም ስደተኛታት ካብ ኢትዮጵያ ዝመጹ እዮም። ቅድሚ ክልተ መዓልታት 100 ዝኾኑ ጠሪዝና። እዚ ናይ መጀመርያ ኣይኮነን፡ናይ መወዳእታ ኸአ ኣይኮነን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ብብዝሒ ስደተኛታት ዝመጽሉ ጊዜ’ዩ።” ክብሉ ጋብር ኣል- ራዘይ ኣመሓዳሪ ትካል ሃገራዊ ሰብኣዊ ጉዳያትን ግብረ መልሲ ሓደጋ የመን ገሊጾም። ሓደ ካልእ በዓል ስልጣን መንግስቲ የመን ካብ ከተማ ዓደን ኣብ ወርሒ መጋቢት ጥራይ 15,000 ስደተኛታት ኣብ መፈተሺ ኑቕጣ’ታ ከተማ ከምዝተታትሕዙ ይሕብሩ። የመን እታ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ እታ ዝደኸየት ሃገር ንብዙሓት ካብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ዝስደዱ ስደተኛታት መተሓላለፊ ኮይና ጸኒሓ’ያ። No media source currently available ዝበዝሑ ካብዞም ስደተኛታት ኣብ ሃገራቶም ካብ ዘሎ ግጭትን ጥምየትን ብምህዳም ነዚ ኣሰቃቂ ጉዕዞ ብምሕላፍ ኣብ ሃገራት ስዑዲ ዓረብን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝሓሸ ናብራ ንምርካብ ዝጉዓዙ’ዮም። ብመሰረት ሓበሬታ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዋላ’ዃ የመን ንምብጻሕ ዝካየድ ጉዕዞ ሓደገኛ እንተኾነ ብተወሳኺ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ዘሰክፍ እንተኾነ ቁጽሪ ናብ የመን ዝስደዱ ስደተኛታት ካብ ኣብ 2015 ዝነብረ 92,000 ኣብ 2016 ናብ 117,000 ወሲኹ’ዩ። ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ነቲ ኣብ ስደት ዘሎ መሪሕነት የመን ናብ መዝነቱ ክመልሱ ምስቲ ብኢራን ዝሕገዝ ተቓወምቲ ሑቲ ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኹናት የካይዱ ምሕላዎ ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ብሰንኪ’ዚ ኹናት ልዕሊ 10,000 ሰባት ዝሞቱ ክኮኑ ከለው ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ድማ ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ነታ ሃገር’ውን ኣብ ደረት ጥምየት ትርከብ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%A8%E1%88%98%E1%8A%95-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-130-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8C%A5%E1%88%AB%E1%8B%9B-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4423815.html"} {"headline":"ካብ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ዝሃደሙ ስደተኛታት ዝሞቱን ዝቆሰሉን ከምዘለው ትካል ስደተኛታት ሕ\/ሃ ሓቢሩ","content":"ኣብ ሊብያ ብዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ዝተታሕዙ ብኣሰርተታት ዝቑጸሩ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ ገለ ካብ ም ከምዝሞቱን ካልኦት ድማ ከምዝቆሰሉ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኣፍሊጡ። ካብቶም 200 ግዳያት ኤርትራዊያን ኢትዮጵያዊያንን ሶማልያዊያን ከምዝርኸብዎም'ውን ተፈሊጡ'ሎ። እዚ ዝኾነ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ከተማ ትሪፖሊ ብሸነክ ምብራቅ 180 ኪ.ሜ ርሒቃ ኣብ ትርከብ ባኒ ወሊድ ምኳኑን እዚ ድማ ብዘይሕጋዊን ኣስገርቲ ዝተኻየደ ዳሕረዋይ ዘሰንብድ ፍጻሜ'ዩ ክብል ትካል ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ'ሎ። ካብቶም ዘምለጡ ብዝተረኽበ ሓበሬታ እቶም ስደተኛታት ካብቶም ሒዞሞም ዝነበሩ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ ጥይት ከምዝተተኮሰሎምን ገለ ካብቶም ከምዝሞቱን በቶም ኣስገርቲ ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ተታሒዞም ከምዝነበሩን ስቅያት ከምዝተፈጸመሎምን ሓቢሮም። ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብቶም ዝሃደሙ 40 ዝኾኑ ሰበስልጣን ሊብያ ናብ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ከምዝወሰድዎም: ካብቶም ዝሃደሙ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ከምዝርከብዎምን እቶም ዑቕባ ዘድልዮም ናይ ምማይ መስርሕ ይካየድ ከምዘሎን ሓቢሮም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%88%95%E1%8C%8B%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%8C%88%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%9D%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%99-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%9E%E1%89%B1%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%89%86%E1%88%B0%E1%88%89%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/4419996.html"} {"headline":"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ሶማል ንዝርከቡ ፍሉይ ፖሊስ ክስሕቦን ዕጥቖም ከፍትሖም ኣምንስቲ ጸዊዑ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማልያ ዝርከብ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ቅትለት ይፍጽም ኣሎ ዝበለ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ዕጡቓት ክስሕቦምን ዕጥቆም ከፍትሖምንን ኣለዎ ክብል`ውን ጸዊዑ። እቶም ከም ኣንጻር ግብረ-ሽበራ ተባሂሎም ብክልላዊ መንግስቲ ሶማልያ ዝቖሙ ፍሉያት ሓይሊ ኣብ`ዚ ሰሙን`ዚ 48 ኣባይቲ ስድራቤታት ኦሮሞ ከምዘንደዱን እቶም ተወላዶ ኦሮሞ ናብ ጪሮ ዝብሃል ከባቢ ኦሮሚያ ከምዝሃደሙን እቲ ኣህጉራዊ ተሓላቒ መሰል ይገልጽ። “ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ነቶም ፍሉይ ፖሊስ ዝብሃሉ ሓይሊ ክብትንዎምን ከጣይስዎምን ብኻልኦት ብኣህጉራዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ዝግዝኡ ፖሊስ ክትክእዎምን ኣለዎም። እዞም ቀይዲ-በተኽ መኮንናት ንህዝቢ ከምድላዮም ከጋፍዑ ክፍቀደሎም ኣይግባእን” ኢላ ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዳይሬክተር ምብራቕን ቀርኒን ኣፍሪቃ ጁዋን ንያንኩኪ። ዝሓለፈ ግንቦት 23ን 24`ውን፡ኣባላት`ቶም ፍሉያት-ፖሊስ ዝብሃሉ፡ ኣብ ወረዳ ቺናቅሰን ምብራቕ ኦሮሚያ ንኣርባዕተ ሰፈራት ከምዘጥቅዑን ሓሙሽተ ሓረስቶት ከምዝቐተሉን ኣስታት 50 ኣባይቲ ከንምዘዕነዉን ተገሊጹ`ሎ። “ሰበ-ስልጣን ነዚ ብመንግስቲ ዝተመወለ ዝመስል መጥቃዕቲ ክዓግትዎ`ለዎም። ክውሰድ ዘለዎ ቀዳማይ ስጉምቲ ኩሉ ስራሕ ፖሊስ ንሰብኣዊ መሰላት ዘኽብር ክኸውን ምርግጋጽ`ዩ። ካልኣይ ድማ እቶም ተሓተቲ ብናጻ ዝኾነ ወገን ከምዝምርመሩ ምግባር`ዩ” ይብል ኣምነስቲ። ብመሰረት ኮሚሽን ምክልኻል ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣብ 2017 ፍሉይ ፖሊስ ክልል ሶማሊያ ናብ ኦሮሚያ ድሕሪ ምእታው ኣማኢት ሰባት ተቐቲሎም- ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተፈናቒሎም`ዮም። ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል፡ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ 2004 ዝተገብረን፡ ምሕንጻጽ ዶብ-ክልቲኡ ክልታት ዘነጽርን ረፈረንዶም ክትግብሩ ይጽውዕ። ኣስዒቡንሱ ጥራይ `ዩ ንሱር ውጥረት`ቲ ዞባ ክፈትሕ ዝኽእል ይብል። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%88%B6%E1%88%9B%E1%88%8D-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%8D%8D%E1%88%89%E1%8B%AD-%E1%8D%96%E1%88%8A%E1%88%B5-%E1%8A%AD%E1%88%B5%E1%88%95%E1%89%A6%E1%8A%95-%E1%8B%95%E1%8C%A5%E1%89%96%E1%88%9D-%E1%8A%A8%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%96%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8B%91\/4419796.html"} {"headline":"ኣብ ከተማ ዓድዋ ኣብ መንጎ ፖሊስን መናእሰይን ዝተፈጥረ ግጭት","content":"ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ዓድዋ ብመንግስቲ ኣብ ዝተፀውዐ ኣኼባ ዝተሳተፉ መናእሰይ ዝግባእ ማዕልታዊ ኣበል ክኸፈሉ ብዘቕረቡዎ ሕቶ ምኽንያት ብዝተፈጥረ ምስሕሓብ መናእሰይ ተኣሲሮም ከምዝተፈትሑን ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ሓደ መንእሰይ ከቢድ መውቃዕቲ ከምዝፈፀመን ማህረምቲ ዝወረዶ ሰብ ገሊፁ። ምኽትል ከንቲባ ከተማ ዓድዋ ኣቶ ዘስላሰ ዘrኣብሩክ ሕቶ መናእሰይ ግቡእ ምዃኑ ብምእማን ፖሊስ ስርዓት ከስፍን ኣብ ዝተንቀሳቐሰሉ ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ሓይሊ ተጠቒሙ እንተኾይኑ ይፃረ ኣሎ ኢሎም ኣለው። ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-adwa-protes-and-bittings\/4418236.html"} {"headline":"ስነ-ስርዓት ቀብሪ ስነ-ጥበባዊት ጸሃይቱ በራኺ ኣብ ኣስመራ ተፈጺሙ","content":"ስነ ስርዓት ቀብሪ ገዲም ደራፊትን ከራሪትን ጸሃይቱ በራኺ ሎም 31 ግንቦት, 2018 ፍርቂ መዓልቲ ቤተሰባ፡ መሳርሕታ፡ፈተውታን ኣፍቀርቲ ሙዚቃን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ መካነ መቃብር ቅድስተ ማርያም ኣስመራ ተፈጺሙ። ኣብ 1939 ዓ.ም. ኣብ ዞባ ደቡብ፡ዃዓቲት ዝተወልደትን ድሕሪ ሞት ኣቡኣ ብንኡስ ዕድሚኣ ምስ ኣዲኣ ናብ ኣስመራ ብምምጻእ ዕድመ ንእስነታ ኣብ ኣባሻውል ዘሕለፈት ስነ-ጥበባዊት ጸሃይቱ በራኺ፡ ኣብ 16 ዓመታ ወግዓዊት ሃራሚት ክራር ብምዃን ኣብ እንዳ ስዋ ብምድራፍ ዝጀመረቶ ጉዕዞ ስነጥበባዊ ሂወት፡ኣብ 70ታት ስማ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበረኸሉን “መጀመርያ ፍቕሪ”፡ “ኣባሻውል ዝባን ጨርሒ”፡”ላለይ ቦላ” ዝርከብዎም 12 ደርፍታት ዝሓዘት ናይ መጀመርያ ዲስኮ ከተሕትም ዝበቅዓትሉ እዋን ከምዝነበረ ታሪኽ ሂወታ ይገልጽ። ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%8B%93%E1%89%B5-%E1%89%80%E1%89%A5%E1%88%AA-%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%8C%A5%E1%89%A0%E1%89%A3%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%88%83%E1%8B%AD%E1%89%B1-%E1%89%A0%E1%88%AB%E1%8A%BA-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AB-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%BA%E1%88%99\/4418111.html"} {"headline":"\"ኣንፈት መንግስቲ ኢትዮጵያ ገና ንጹር ኣይኮነን\" ዶ\/ር መረራ ጉዲና","content":"መንግስቲ ብሰንኪ ፖለቲካ ንዝተአሰሩ ዜጋታት ክፈትሖም ዘለዎ ብሓደ ጊዜ ብሓፈሻዊ ምሕረት ደአ እምበር በብተራ ኣይኮነን ክብሉ ዶ\/ር መረራ ጉዲና ካብ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም። ዶ\/ር መረራ ብተወሳኺ ኣንፈት መንግስቲ ገና ንጹር ኣይኮነን’ውን ኢሎም ኣለው። አባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ግንቦት 7 አቶ አንዳርጋቸው ጽጌ ካብ ቤት ማእሰርቲ ቃሊቲ ትማሊ ተፈቲሖም’ዮም፡ ናይቲ ውድብ አቦ መንበር ዶ\/ር ብርሃኑ ነጋ’ውን ክሶም ክቋረጽ ተገይሩ’ሎ። ጉዳይ’ዞም አባላት ኣመራርሓ ግንቦት 7 ፍሉይ ዝኾነ ቅድሚ ሎሚ ናይ ሞት ፍርዲ ተፈሪድዎም ብምንባሩ ጥራይ ዘይኾነ ግንቦት 7 ምስ ግንባር ነጻነት ኦሮሞ (ኦነግ)ን ግንባር ነጻነት ኦጋዴን (ኦብነግ) ብሓደ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብተግባር ግብረ ሽበራ ተመዲቦም ዝነበሩ ውድብ ብምኳኑ’ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%8D%88%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8C%88%E1%8A%93-%E1%8A%95%E1%8C%B9%E1%88%AD-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8A%AE%E1%8A%90%E1%8A%95-%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%88%A8%E1%88%AB-%E1%8C%89%E1%8B%B2%E1%8A%93-\/4416757.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ ንመስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ክዕወት ተካይዶ ጻዕሪ ከምትቕጽል ቀ\/ሚ አብይ ገሊጾም","content":"ኢትዮጵያ ደቡብ ሱዳናዊያን ናብ ሰላም ክመፁ እትገብሮ ፃዕሪ ከም እተሐይል ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ናይ ደቡብ ሱዳን መራሒ ሳልቫ ኪር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን ገሊፆም። ንናይ ደቡብ ሱዳን ፕረዚደንት ሎሚ ረቡዕ ንፈለማ ግዜ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ዘዘራርቡ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ አሕመድ፡ ኢትዮጵያ ናይ ደቡብ ሱዳን ሰላም ንምስጓም ክትሰርሕ እያ ኢሎም።ኢትዮጵያ ብኣቦ ወንበርነት እትመርሖ ኢጋድ ኣቢላ ከምትሰርሕን ኢጋድ እውን ተርኡ ከዕዝዝ ምኳኑ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ አሕመድ ንቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ገሊፆም። “ኢጋድ ኣብቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋእን ንምምፃእ ናይ መሪሕነት ተርኡ ክፃወት ኣለዎ።” ኢትዮጵያ ሃገርና እውን እያ ዝበሉ ናይ ደቡብ ሱዳን ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ከምዚ ኢሎም። “ኢትዮጵያ ደጋፊት ደቡብ ሱዳን ጥራሕ ዘይኮነስት ኢትዮጵያ ሃገርና እያ።” ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላም ንምምፃእ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ኣብ 2015 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈረመ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ዘይምውዓሉ ቀንዲ ዕንቅፋት ኮይኑ ቀፂሉ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/4416713.html"} {"headline":"ንጸላም መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ዝጋለሀ መብራህቲ","content":"ነባራይ መዓስከር ስደተኛታት ማይዓይኒ ገብረመስቀል ተወልደ ንጸላም ለቢሱ ዝነበረ ከባቢ ብርሃን ዝመለሰ ስደተኛ ኮይኑ ኣሎ። ሳላ ጻዕሪ ገብረመስቀል ድማ ዝተፈላለዩ ትካላት ንግዲን መንበሪ ኣባይቲን ኣገልግሎት መብራህቲ ይረኽቡ ኣለው። ገብረመስቀል ካብ ዓዱ ብዘምጸአን ኣስታት 90 ሽሕ ቅርሺ ተበጊሱ ሎሚ ኣብ ዘተኣማምን ኩነተ መነባብሮ በጺሑ’ሎ። ካብ ገዛእ ነብሱ ሓሊፉ ንሙሉእ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ኣገልግሎት መብራህቲን ጸዓትን ይልግስ ኣሎ። ኣብ ካልኦት መዓስከር ስደተኛታት’ውን ብተመሳሳሊ ኣገልግሎት መብራህቲን ጸዓትን ትልግስ ጄነረተር ከምዘዋፈረ ይዛረብ ገ\/መስቀል ተወልደ። ቢሮ ስደተኛታት ኢትዮጵያ ብወገኑ 'እቶም ስደተኛታት ካብ ዝረኽብዎ መሸጣን መኽሰብን ግብሪ ከምዘየኽፍሎምን መርየት ብናጻ ከምዝልግሰሎምን' ይሕብር። በትረ ስልጣን ንክልተ ኤርትራዊያንን ሓንቲ ኣብ ማይ ዓይኒ ኣብ ስራሕቲ ንግዲ ትነጥፍ ኢትዮጵያዊትን ኦፊሰር ኢምግረሽን ኢትዮጵያ ዓዲሙ ኣዘራሪቡ ኣሎ። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/refugee-camps-in-n-ethiopia-got-electrisity-by-eritrean-refugee-gebremeskel-tewelde\/4416697.html"} {"headline":"ዋና ጸሓፊ ግንቦት 7 አቶ አንዳርጋቸው ጽጌ ተፈቲሖም","content":"ዋና ጸሓፊ ናይ ኢትዮጵያ ተቃዋሚ ጉጅለ ግንቦት 7 አቶ አንዳርጋቸው ጽጌ ድሕሪ ናይ 4 ዓመታት ማእሰርቲ ሎሚ ተፈቲሖም።ህዝቢ ንዝገበረሎም ኣቀባብላ ከምዘሓጎሶም ገሊጾም። አብኦም ብወገኖም ደረት ዘይብሉ ሓጎስ ተሰሚዑኒ ኣሎ ኢሎም። አቶ አንዳርጋቸው ጽጌ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም ናብ ገዛ አብኦም ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን ዝመጽሉ መኪና አምቡላንስ ዝመስል ብምንባሩ’ቲ ምምጽኦም ዝጽበ ዝነበረ ህዝቢ ከምዘይጠርጠረ ሒደት መንእሰያት ግን ጽግዕ ኢሎም ንሱ’ዩ ክብሉ ምስ ጀመሩ ህዝቢ ብጉያ ክስዕብ ከምዝጀመረን እታ መኪና ክትንቀሳቀስ ከምዘይአለት ተገሊጹ’ሎ። አቶ አንዳርጋቸው ትማሊ ክፍትሑ ትጽቢት ከምዝነበረን ዘይተፈትሕሉ ምክንያት ድማ ዓቃቢ ሕጊ ይቅሬታ ጌርና አለና ይበል እምበር ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ሰነድ ብዘይምልአኹ ምንባሩ’ዩ ተነጊሩኒ ክብሉ’ውን ሓቢሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8C%B8%E1%88%93%E1%8D%8A-%E1%8C%8D%E1%8A%95%E1%89%A6%E1%89%B5-7-%E1%8A%A0%E1%89%B6-%E1%8A%A0%E1%8A%95%E1%8B%B3%E1%88%AD%E1%8C%8B%E1%89%B8%E1%8B%8D-%E1%8C%BD%E1%8C%8C-%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%89%B2%E1%88%96%E1%88%9D-\/4415078.html"} {"headline":"ክሲ መራሒ 7 ጉንቦት ዶ\/ር ብርሃኑ ነጋን ሓላፊ ኦሮሞ ሚድያ ኔትዎርክ ጀውሃር መሓመድን ተቛሪጹ","content":"ኣብ ልዕሊ ኣቦ መንበር 7 ግንቦት ዶ\/ር ብርሃኑ ነጋ፣ ኣካያዲ ስራሕ ኦሮሞ ሚድያ ኔትዎርክ ጀውሃር መሓመድን ቴለቭዥን ኢሳትን ኦሮሞ ሚድያ ኔትዎርክን ዝተታሓዘ መስርሕ ክሲ ተቛሪጹ። 7 ግንቦትን ኦሮሞ ሚድያ ኔትዎርክን’ውን ግብረ መልሲ ሂቦም ኣለው። ጽቡቕ ዜና’ዩ ይብሉ። ምክትል ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣቶ ተስፋይ ኣለምነው ሎሚ ምሸት ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ‘መስርሕ ክሲ’ዞም ዝተጠቕሱ ውልቀ-ሰባትን ትካላትን ምቁራጹ ኣረጋጊጾም’ ኣለው። ወሃቢ ቃል 7 ግንቦት ኣቶ ነኣምን ዘለቀ ‘ልዑል ታሕጓስን ተስፋን ዝሃበና’ዩ ኢልና ኢና ንኣምን’ እንተኾነ ቅድሚ ሎሚ ዝተኸሰሱን ዝተኣሰሩን ኣባላትና ኣለው። ኣብ ልዕሊኦም ዝተታሓዘ ክሲታት ከምዝቋረጽ፣ ሕጊ ጸረ ግብረ-ሽበራን ካልኦት ዓፈንቲ ሕጊታት ክስረዙ’ዮም ኢልና ተስፋ ንገብር’ ኢሎም። ኣካያዲ ስራሕ ኦሮሞ ሚድያ ኔትዎርክ ኣቶ ጀውሃር መሓመድ ብወገኑ ‘ኣብ ክንዲ ብጉልበት ብልዝብ፣ ኣብ ክንዲ ብጉስጢት ምዝርራብ እዩ ዝሕሸና ኢሎም ዝኣምኑ ውልቀ-ሰባት ናብ መሪሕነስ ሳላ ዝመጹ እዩ እዚ ነገር’ዚ ክዕወት ኪኢሉ’ በለ።። ኩሎም ብገበን ሽብርን ኣብ ዘይተረኸቡሉን’ዮም ተኸሲሶም ነይሮም። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/ethiopia-discontinue-charges-against-brhanu-nega-and-jowhar-mohamad-and-omn-and-esat-tvs\/4415029.html"} {"headline":"ኤርትራ:ብሓደጋ ኣውቶቡስ 33 ሰባት ሞይቶም","content":"ትማሊ 28 ግንቦት 2018 ኣብ ጽርጊያ መስመር ኣስመራ ከረን ብዘጋጠመ ሓደጋ ኣውቶቡስ 33 ሰባት ከምዝሞቱን፣ መራሕ መኪናን ተሓጋጋዚኡን ዝርከብዎም 11 ሰባት ድማ ከቢድ ጉድኣት ክምዝበጽሖም ኣዛዚ ፖሊስ ትራፊክ ኤርትራ ለተናል ኮለኔል መሓሪ ንጉሴ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ። አታ ቱርቦ ዝዓይነታ ናይ ውልቂ ናይ ገጠር ኣውቶቡስ ደብረሲና ዝኸዱ 45 ነጋድያን ኣሳፊራ ትጓዓዝ ኣብ ዝነበረትሉ፣ካብ ኣስመራ 54 ኪ.ሜ ርሕቐት ኣብ ከባቢ ሽንድዋ ፣ ፍርቂ ሜትሮ ዝንውሓቱ መከላኸሊ መንደቕ ትሒሳ፣ ንየማን 87 ሜተር ከምዘንከራረወትን ምሉእ ብምሉእ ካብ ስራሕ ወጻኢ ከምዝኾነትን ለተናል ኮሎነል መሓሪ ንጉሴ ኣረዲኡ። ክሳብ ሕጂ ቁጽሪ ምዉታት ከምዘይወሰኸ ዝሓበረ ሌተናል ኮሎነል መሓሪ፣ ጠንቂ ሓደጋ ኣብ ምጽራይ ከምዘሎን ክቱር\\nናህሪ ጠንቂ ሓደጋ ክኸወን ከምዝኽእል ኣፈናዊ ሓበሬታ ከምዘሎን ገሊጹ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%A5%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%89%B6%E1%89%A1%E1%88%B5-33-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/4414831.html"} {"headline":"ኢትዮጵያ: ዞባ ሲዳማ ብዘጋጠመ ምንሽርታት መሬት 23 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ዞባ ሲዳማ ወረዳ ጭሬ ጣቢያ ሃሊሎ ኣብ ዝርከቡ ሰለስተ ናይ ገጠር ዓድታት ብሰንኪ ዝናብ ብዝወረደ ምንሽሕታት መሬት 23 ሰባት ከምዝሞቱ ስድራ ግዳያት ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም። ኣብቲ ከባቢ ብሰንኪ ዝወቕዐ ዝናብ ዝወረደ ምንሽሕታት መሬት ኣብ ክልተ መንበሪ ገዛ ዝነበሩ ኣብ ሓደ ገዛ 14 ኣብቲ ካልእ መንበሪ ገዛ ድማ ሸሞንተ ብድምር 23 ሰባት ህይወቶም ጠፊኡ’ሎ። ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ምሸት ከቢድ ዝናብ ከምዝነበር ዝገለፁ ነበርቲ እቲ ከባቢ እቲ መሬት ተደርሚሱ እቶም ኣባይቲ ምስ ነበርቲ ናብ ፀድፊ ከምዝኣተው ገሊፆም። 14 ኣባላት ስድራ ጠፊኡዎም ናይ ዝተብሃሉ ኣቶ ማትዮስ ማርቆስ ስድራ እየ ዝበሉ ሓደ ነባሪ እቲ ከባቢ ከምዚ ይብሉ። “ክልተ ስድራ እዮም ነይሮም።ሓደ ስድራ 8 እቲ ካልእ ድማ 14 ስድራ ዝሓዙ እዮም።ወለዲ ምስ ቆልዑቶም እዮም ሞይቶም።” ካብቶም 14 ሰባት ዝሞቱዎ ስድራ ሓንቲ ዝቖሰለት ከምዝተረፈትን ካብቲ ሸሞንተ ኣባላት ዝሓዘ ድማ ሰለስተ ኣባላት ስድራ ህይወቶም ከምዝተረፈን ገሊፆም። ስነስርዓት ቀብሪ ትማሊ ሰንበት ከምዝተፈፀመ እውን ወሲኾም ሓቢሮም። ናይቲ ክልል ቢሮ ኮሚኒኬሽን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝወፅኦ ሓበሬታ በቲ ሓደጋ ምንሽሕታት መሬታ 23 ሰባት ከምዝተቐተሉን ካብኦም 16 ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ሓቢሩ። ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%88%B2%E1%8B%B3%E1%88%9B-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%88%BD%E1%88%AD%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%AC%E1%89%B5-23-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/4413513.html"} {"headline":"ኢህኣዲግ ናብ መሪሕነት ዝመጸሉ መበል 27 ዓመት ተኸቢሩ","content":"ስርዓት ደርጊ ዝወደቐሉን ኢህወዴግ ናብ ስልጣን ዝደየበሉን መበል 27 ዓመት በዓል 20 ግንቦት ተኸቢሩ ውዒሉ።ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ዕለት ምኽንያት ብምግባር ካብቲ ልሙድ ፍልይ ዝበለ መልእኽቲ ኣሕሊፎም ኣለው። መበል 27 ዓመት 20 ግንቦት ዝኽበር ዘሎ ኢትዮጵያ ካብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ኣብዝተፈለየ ፖለቲካዊ ምዕራፍ ኣብ እትርከበሉ እዋን እዩ። ንኽልተ ዓመታት ተቓውሞ ድሕሪ ምክያዱ መንግስቲ ዝተፈላለዩ ስጉምታት ወሲዱ’ሎ።ሞት ዝተፈረዶም ሓዊሱ ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ይርአ ዝነበረ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ምፍታሕ ይርከቡ። ኣብዚ ቅንያት ሞት ዝተፈረዶም ላዕለዋይ ኣባል መሪሕነት ግንቦት ሸውዓተ ዝነበሩ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ፅጌ ሓዊሱ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ እሱራት ክፍትሑ ተወሲኑ’ሎ። ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግ ካብቶም ዝሓለፈ 26 ዓመታት ዝተፈለየ ኣካይዳ ይስዕብ ከምዝጀመረ ይርአ’ሎ።ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ልሙድ መዘገበ ቃላት ኢህወዴግ ውፅእ ዝበለ መደረ ምስማዕ ቀፂሎም ኣለው።20 ግንቦት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብኣገላልፃ ይኹን ብትሕዝቶ ዝተፈለየ እዩ። ንሶም ኣብ መልእኽቶም ኢትዮጵያዊያን ዝተፈላለዩ ሽዱሽተ ጉዳያት ብምፍፃም ነቲ በዓል ከኽብሩዎ ሓቲቶም ኣለው።ኢትዮጵያዊያን ናይ ፅሞና ግዜ ክህልዎምን ምስ ባዕሎም ክትዓረቑ፣ምስ ጎረቤቶምን ፈተውቶምን ዘለዎም ክፍተታት ብዕርቅን ይቕሬታን ክመልኡ፣ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝተዃረዩ ፈተውቲ፣ጎረቤት፣ሰብ ሓዳርን ካልኦትን ይቕረ ክበሃሀሉን ሰላም ከውርዱን ብኽብሪ ይፅውዕ ኣለኹ ይብሉ ። ኣነዳንስነት ምፍጣር ዘንብብ ወለዶ፣ከባቢ ምፅራይን ማሕብረሰብ ንደቂ ኣንስትዮ ዝህቦ ክብሪ ከዕብይን እውን ፀዊዖም ኣለው። ኣማሲዩ ኣብ ሸራተን ሆቴል ኣብዝተኻየድ ስነስርዓት ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣይተረኽቡን።ኣብቲ ስነስርዓት ዝተረኽቡ ምኽትሎም ኣቶ ደመቀ መኮነንን ፕሬዝዳንት ዶ\/ር ሙላቱ ተሾመ እዮም። ዶ\/ር ሙላቱ ተሾመ ኣብቲ ስነስርዓት ኣብዘስምዕዎ መደረ ናይ ሎሚ ዘበን በዓል ዝኽበር ዘሎ ኣብ ቅልጡፍን መሰረተ ሰፊሕ ናይ ለውጢ ማዕበልን ኮይንና እዩ ኢሎም። “ውፅኢት ዓወት 20 ግንቦት ዝኾነ ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ ስርዓትና ናይ ህዝብና ማዕርነት ንምርግጋፅን ልምዓት ንምስላጥን ካብ ዝተፈጠረልና ምቹእ ኩነታት ብተወሳኺ ሓታትን ተማጓትን ሕብረተሰብ ኣብ ምፍጣር ዘመፅአልና ለውጢ እውን ፈፂምና ክንርስዖ ኣይግባእን።” ዶ\/ር ሙላቱ ነዚ እውን እዩ ዘሎ ትውልዲ ንድኽነት ይኹን መግሃስቲ መሰላት ወይ ድማ ዘይፍትሓውነት ኣሜን ኢሉ ንምቕባል ወይ ንምሽካም ማእገር የብሉን ኢሎም ። ናይ ሎሚ በዓል 20 ግንቦት ዝለዓለ ሃገራዊ ምርድዳእ ዴሞክራሲያዊ ሓድነትን ንዝልዓለ ሃገራዊ ዓወት ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቃል እዩ ዝኽበር ዘሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%88%85%E1%8A%A3%E1%8B%B2%E1%8C%8D-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%88%AA%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%8C%B8%E1%88%89-%E1%88%98%E1%89%A0%E1%88%8D-27-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%89%A2%E1%88%A9\/4413508.html"} {"headline":"ጸሃይቱ በራኺ ትማሊ ግንቦት 24፡ ሻለቃ ግርማይ ሓድጉ ቅድሚ ትማሊ ዓሪፎም","content":"ኣብ ምዕባለ ሙዚቃ ኢትዮጵያ ወሳኒ ተራ ዝነበሮ ሻለቃ ግርማይ ሓድጉ፡ ኣብ መበል 90 ዓመቱ ናብ`ዚ ናብ ኣመሪካ ናብ ደቁ ምስ መጸ ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ኣሪዞና ዓሪፉ`ሎ። ኣብ ክቡር ዘበኛ እናሀለወ ከም በዓል ጥላሁን ገሰሰ ዝበሉ ዓበይቲ ደረፍቲ ዘፍረየ ግርማይ ሓድጉ፡ ድሕሪ ናጽነት ናብ ሃገሩ ኤርትራ ብምኻድ ንሃገራዊ ወተሃደራዊ ማርሽ ኤርትራ ኣብ ምምራሕን ምስትምሃርን ዓቢ ኣበርክቶ ጌሩ። ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ዝፈልጥዎ ሰባት ብዛዕብኡ ርእይትኦም ኣካፊሎም ኣለዉ። ብተመሳሳሊ ኣደ ሙዚቃ ኤርትራ ካብ ዝብሃላ ነባራት ደራፊትን ሃራሚት ክራርን ጸሃይቱ በራኺ ትማሊ ሓሙስ ግንቦት 24 ኣብ መዓልቲ ናጽነት ኣብ ኖተርዳም ሆላንድ ዓሪፋ-ስነ-ስርዓት ቀብራ ኣብ ኤርትራ ክፍጸም`ዩ። ብዛዕባ ክልቲኦምን ብዛዕባ ዝኽሪ ነባር ድምጻዊ ገብረጻድቕ ወልደሃንስን ዝተዳለወ መደብ ቂሐ-ጽልሚ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡ No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/4410389.html"} {"headline":"ዳይሬክተር እቶትን ግምሩክን ዝርከብዎም ብብልሽውና ዝተኸሱ ብዙሓት ሰባት ክሶም ክቋረጽ ዓቃቢ ሕጊ ሓቲቱ","content":"ዋና ዳይሬክተር በዓል ስልጣን እቶትን ጉምሩክን ኢትዮጵያ ዝነበሩ ሓዊሱ በከቢድ ገበናት ብልሽውና ተኸሲሶም ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ክሶም ንኽቋረፅ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ሓቲቱ።ብኻልእ ወገን ብገበናት ግብረሽበራ ተኸሲሶም ክሶም ክቋረፅ ዝተወሰነ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰባት ከምዝተፈትሑን ገሊኦም ኣበይ ከምዘለው ከምዘይፍለጥን ምንጭታት ገሊፆም። ዳይረክተር በዓል ስልጣን እቶትን ጉምሩክን ዝነበሩ ኣቶ መላኩ ፈንታን ምኽትሎሞ ኣቶ ገብረዋህድ ወልደጊዮርጊስን ሓዊሱ ብብልሽወና ተኸሲሶም ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ክስታቶም ንኽቋረፅ ዓቃቢ ሕጊ ንጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ፌደራል ሎሚ ምሕታቱ ተፈሊጡ።ክልቲኦም ሓለፍቲ፣ካልኦት ሰበስልጣን ናይቲ ቤት ፅሕፈትን ዓበይቲ ነጋዶን ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ብገበናት ብልሽውና ተጠርጢሮም ተኸሲሶም ክከራኸሩ ፀኒሖም ኣለው። ኣብ ቀረባ ብብልሽውና ተኸሲሶም ዝነበሩ ሚንስትር ድኤታ ሚንስትሪ ገንዘብን ቁጠባን ኣቶ ኣለማየሁ ጉጆ ኽሲ’ውን ክቋረፅ ዓቃቢ ሕጊ ሓቲቱ።ቤት ፍርዲ ውሳነ ክህብ ትፅቢት ይግበር። ብኻልእ ወገን ብገበናት ግብረስህበራ ተኸሲሶም ዝነበሩን ክሶም ዝተቛረፀን ብኣማኢቲ ዝቑፀሩ እሱራት ሎሚ እውን ከምዘይተፈትሑ ተፈሊጡ።ናይ ኣስታት 600 ተኸሰስቲ ጠበቓ ምዃኖም ዝዛረቡ ኣቶ ወንድሙ ኢቢሳ ክሶም ተቛሪፁ ዘይተፈትሑ ብዙሓት ኣለው ይብሉ። “ብባሪዕ ሓዊን ግብረስህበራን ካብ መንጎ ዝተኸሱ 38 ብዘይካ ህይወት ብምጥፋእ ተኸላኸሉ ዝተበሃሉ ኣርባዕተ ኩሎም ክሶም ተቛሪፁ ተባሂሉ’ሎ።ካብኦም ኣስታት 14 ዝኾኑ ከምዘይተፈትሑ እዩ ዘለኒ ሓበሬታ።” ኣቶ ወንድሙ ብተወሳኺ ኣብ ካልኦት ከባቢታት እውን ክሶም ተቋሪፁ ዝተፈትሑን ዘይተፈትሑን ከምዘለው ሓቢሮም።ገሊኦም ድማ ክሶም ተቛሪፁ ዘይምፍትሖም ጥራሕ ዘይኮነስ ኣበይ ከምዘለው እውን ከምዘይፍለጥ ተዛሪቦም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%8B%E1%8A%93-%E1%8B%B3%E1%8B%AD%E1%88%AC%E1%8A%AD%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A5%E1%89%B6%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8C%8D%E1%88%9D%E1%88%A9%E1%8A%AD-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5%E1%8B%8E%E1%88%9D-%E1%89%A5%E1%89%A5%E1%88%8D%E1%88%BD%E1%8B%8D%E1%8A%93-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8A%B8%E1%88%B1-%E1%89%A5%E1%8B%99%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%B6%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%89%8B%E1%88%A8%E1%8C%BD-%E1%8B%93%E1%89%83%E1%89%A2-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%88%93%E1%89%B2%E1%89%B1\/4410234.html"} {"headline":"ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት መዓስከር ስደተኛታት ከተማ ፓሪስ ሓደጋ የንጸላለውን ከምዘሎ ይሕብራ","content":"ኣብ ፓሪስ ዝንቀሳቀሱ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ኩነታት ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ክልተ መዓስከር ስደተኛታት የንቆልቁል ምህላውን ሓደጋ ጸጥታን ጥዕና ከስዕቡ ከምዝኽእሉ ይገልጹ ኣለው። ኣስታት 1,600 ዝኾኑ ኤርትራዊያንን ሱዳናዊያን ስደተኛታት ኣብ ዋና ከተማ ፓሪስ ዝዓበየ ግዝያዊ መዓስከር ስደተኛታት መስሪቶም ኣለው፡ ብተወሳኺ 600 ዝኾኑ ካብ ኣፍጋኒስታን ዝመጹ ስደተኛታት ኣብ ጥቃ ሴንት ማርቲን ዝተባህለ ከባቢ ቴንዳ ብምዝርጋሕ ሰፊሮም ይርከቡ። ክልተ ኣብቲ ከባቢ ዝሰርሑ ሓካይም ህሙማን ኣብ ዝርእይሉ ዝነበረ እዋን ሓደ ካብቶም ኣብቲ ቦታ ክዳውንቲ ዝሓጽቡ ዝነበሩ ስደተኛታት ብሃንደበት ክንቅጥቀጥንን ሃለዋቱ ከጥፍእ ከምዝተራእየ ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ጋዜጠኛ AFP ሓቢሩ። እቲ ውልቀሰብ ድሕሪ ቁሩብ ሃለዋቱ ምስ ፈለጠ ናብ ሕክምና ክኸይድ ፍቓደኛ ኣይነበረን ስለዚ ድማ አባል ትካል ግብረ ሰናይ መዲሲን ደ ሞንድ ዝኾና ሉዊስ በርድ እቲ ውልቀሰብ ወልፊ ኣደንዛዚ ዕጽ ዘለዎ ኽከውን ከምዝኽእል ዝሕብር። ንሱ ብተወሳኺ እቲ ኩነታት ይገድድ ከምዘሎ ግጭት ኣብ መንጎ ኣብቲ ቦታ ዘለው ስደተኛታት’ውን ይብእስ ከምዘሎ ይገልጽ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብቲ ቦታ ዝንቀሳቀሱ ወለንተኛታት ንዝተራእየ ናይ ምትንፍስ ጸገምን ናይ ቆርበት ሕማምን ንምፍታሕ ይጽዕሩ። “ ናይ ጥዕናን ጸጥታን ኩነታት ኣብዚ ቦታ ዝነብሩ ሰባት ጥራይ ዘይኮነ አባላት ሓገዝ ወሃብቲ ትካላትን ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ሰባትን ውሑስ ኣይኮነን” ይብል ልዕሊ 30 ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ዝተፈረመ ናይ ይግባእ ወረቐት፡ ብተወሳኺ እቲ መዓስከር ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዝነጥፉ ሰባት ናብ ብሪጣንያ ከነሳግረኹም ብዝብል ናብዚ ቦታ ብብዝሒ ከምዝመጹ ይግለጽ። ኣብቲ ቦታ ብዝሒ ግዳያት ወልፊ ዕጽ ከምዘሎን፡ተደጋጋሚ ግጭት ኣብ መንጎ እቶም ስደተኛታት ይረአ አሎ። ኣመሓዳሪት ከተማ ፓሪስ አን ሂዳልጎ መንግስቲ ኢማኑ ኤል ማርኮ ነዞም ስደተኛታት መዕቆቢ ከዳለው ንዝሓተት ኦ ሕቶ መንግስቲ ሓገዙ ነቶም ስደተኛታት ካብቲ ቦታ ኣብ ምውጻእ ጥራይ ምኳኑ ተገሊጹ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%8C%88%E1%8B%9D-%E1%8B%88%E1%88%83%E1%89%A5%E1%89%B2-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%B5%E1%8A%A8%E1%88%AD-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%8D%93%E1%88%AA%E1%88%B5-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B-%E1%8B%A8%E1%8A%95%E1%8C%B8%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8B%AD%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%AB\/4410158.html"} {"headline":"መበል 27 ዓመት መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ተኸቢሩ ውዒሉ","content":"ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እንኮ ቐጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት ዕምሩ ናብ ምሕጻር ገጹ ይኸይድ ኣሎ ኽብል ሎሚ ኣብ ዘስሞዖ ሃገራዊ መደረ ገሊጹ። ብምኽንያት መበል 27 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ኣብ ስታድዮም ኣስመራ መደረ ዘስምዐ ፕረዚደንት ኢሳያስ ዘለናዮ ርቡጽ ኩነታት ናብ ብዙሕ ቐጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት ዘሰጋግር’ዩ ዝብሉ ብዙሓ ኣለው። ድሕሪ ምባል ቀንዲ ዘገድስ ግን ዘቤታዊ ሓይሊ’ዩ ኢሉ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣተሓሒዙ ንደርማስ ልምዓታዊ ተበግሶ ብኣእምሮን ብአካልን ክንዳለው አለና ድሕሪ ምባል ኣብ ሕርሻ ዘሎ መደባት መንግስቲ ካብ ዝጠቐሶ ጽላታት ሓደ ኔሩ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ናይ ሎሚ መደረኡ ብዛዕባ አገዳስነት ተሳታፍነት ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራዊያን ብምጥቃስ መደረኡ ዛዚሙ። ብዛዕባ ፖለቲካዊ መስርሕ እታ ሃገር ኣይተዛረበን። እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ መንግስትን ህዝብን ኣሜሪካ ብምውካል ርሑስ መበል 27 ዓመት መዓልቲ ነጻነት ንህዝብን መንግስቲ ኤርትራ ክብል ናይ ሰናይ ትምኒት መልእኽቱ ልኢኹ’ሎ። ብተወሳኺ እቲ መልእኽቲ ናይ ሓባር ክብርታትና ንህዝብታት ክልቲኣን ሃገራት ዘቐራርብ ኽከውን ተስፋ ንገብር ይብል። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%A0%E1%88%8D-27-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8B%93%E1%88%8D%E1%89%B2-%E1%8A%90%E1%8C%BB%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%8A%BA%E1%88%A9-%E1%8B%8D%E1%8B%92%E1%88%89\/4408690.html"} {"headline":"በደል ተፈፂሙኒ ዝበለ ሓረስታይ ሕድሮም ሃይለስላሰ","content":"ሕድሮም ሃይለስላሴ ይብሃል።ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ምብራቕ፣ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ጣቢያ ሩባ ፈለግ ዝነብር ወዲ 36 ዓመት ሓረስታይ እዩ።ዝተፈላየዩ ተኽልታት ብምምልማዕ ሞዴል ወይ መርኣያ ተባሂሉ ዝተፈላለዩ ክልላውን ሃገራውን ከምኡ እውን ካብ ናይ ጣሊያን ምትሕብባር ልምዓት ሽልማት ምርካቡ ምስ መዳሊያታትን ወረቐት ምስክራትን ከምዝተሸለመ ይገልፅ። ብሰንኪ ፖለቲካዊ ኣረኣእያይ ይረኽቦ ዝነበርኩ ማይ መስኖ ተኸልኪለ ካብ 2006 ዓ\/ም ጀሚሩ ዝብላዕን ዝስተን ብስምኣነን ልዕሊ 360 እንስሳት ሞይተናኒ፣ዝተኸልኩዎም ተኽልታት እውን ሓሪሩን ኣብ ምሕራር ይርከብን ይብል።ብናይቲ ከባቢ ምልሻን ፖሊስም ብዙሕ ምክትታል ከምዝፍፀሞ እውን ይዛረብ። ኣማሓዳሪት ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ወ\/ሮ ኣልጋነሽ ናይቲ ወረዳ ሕድሮም ዝበፅሖ በደል የለን ኢለን ኣለዋ።ናይ ኢትዮጵያ ሓባሲ ንብዓት ህዝቢ ጨንፈር ክልል ትግራይ ቅድሚ ክልተ ዓመት ነቲ ጥርዓን መርሚሩ መዕለቢ ክረክብ ከምዝገበረ ኣቶ ገብረእግዛብሄር ገብረሚካኤል ኣብቲ ጨንፈር ሓባሲ ንብዓት ህዝቢ ይገልፁ።ሕዚ ድማ ኣቶ ሕድሮም ዳግም ብምጥርዑ ሓደ ጉጅለ ዝቕፅል ሰሉስ ናብቲ ከባቢ ከምዝልእኽ ገሊፆም ኣለው። ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/a-farmer-in-ethiopia-tigray-said-he-lost-360-animals-over-the-last-four-years-because-of-political-affliations\/4408555.html"} {"headline":"ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝረአ ዘሎ ብርቱዕ ዝናብ 30 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝተራእየ ህቦብላን ብርቱዕ ዝናብን 30 ሰባት ክሞቱ ከለው ካልኦት ብኣሰርተታት ዝቑጸሩ ድማ ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ይግለጽ። እዚ ብ’ሳይክሎን ሳጋር’ ዝጽዋዕ ህቦብላ ሓዘል ብርቱዕ ዝናብ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተራእየ ምኳኑ ሰበ ስልጣን’ቲ ዞባ ይገልጹ። ኣመሓዳሪ ዋና ከተማ ሞቃዲሾ ዓብደልራህማን ዑመር ዑስማን ኣብ ሞቃዲሾ 6 ሰባት በቲ ህቦብላዊ ዝናብ ምሟቶምን ልዕሊ 300 አባይቲ ብውሕጅ ምዕልቕላቑን ንድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ቋንቋ ሶማል ሓቢሮም። ሰበ ስልጣን ሶማሊላንድ ብወገኖም ኣስታት 25 ሰባት ካብ ዞባታት አውዳል፡ሳሕልን ሳላልን ምሟቶም መብዛሕትኦም እቶም ግዳያት ብውሕጅ ዝተወስዱ ምኳኖም ነበርቲ ይሕብሩ። No media source currently available ሓገዝ ወሃብቲ አካላት ናብ ርሑቕ ገጠራት ይበጽሑ ኣብ ዘለውሉ ሕጂ እዋን እቲ ቁጽሪ ዝሞቱ ግዳያት ክውስኽ ከምዝኽእል ሰበ ስልጣን ሶማሊላንድ ይገልጹ። ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሳ በሂ ዓብዲ ዝተዋህበ መግለጺ 12 ሰባት ምቁሳሎምን 27 ድማ ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ከምዘሎ ይሕብር። እቲ መግለጺ ብተወሳኺ 669,000 ሰባት በቲ ህቦብላዊ ዝናብ ከምዝተጠቕዑ፡ ልዑል ቁጽሪ ዘለዎም ዘራእቲ ምዕናው፡ ኣስታት 80 ሚእታዊት ካብ ጥሪት ሶማሊላንድ ድማ ምሟቶም ይገልጽ። ናይ ኖርወይ ትካል ግብረ ሰናይ ልዕሊ 10,000 ሰባት ኣብ ሶማሊላንድ ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም ኣብ ፑንትላንድ ድማ አባይትን ጀላቡን በቲ ህቦብላዊ ዝናብ ምዕናው ይገልጹ። ኣብ ጅቡቲ ክልተ ሰባት ምሟቶምን ኣስታት 20,000 ድማ ካብ መነባብኦም ምዝንባሎም NRC ይገልጽ። መንግስቲ ሶማል ምስ ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር ኣብ ዘውጽዖ መብርሂ በቲ ውሕጅ ዝተጠቕዑ ወገናት ሓገዝ ንምብጻሕ 80 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልይ ይገልጹ ኣለው። ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ እዚ ድሕሪ 30 ዓመታት ንመጀመርያ ጊዜ ኣብቲ ዞባ ዝረአ ዘሎ ብርቱዕ ዝናብ ኣብ ሶማል ይቕጽል ከምዘሎን ኣብ ከበሳዊ ክፋል ኢትዮጵያ እውን ብርቱዕ ዝናብ ከምዝተራእየ፡ ኣብ ሶማል ክሳብ ሕጂ 772,500 ሰባት ብምዕልቕላቕ ውሕጅ ከምዝተጸልው ልዕሊ 229,000 ድማ ካብ መነባብኦም ምዝንባሎም ገሊጹ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%80%E1%88%AD%E1%8A%92-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%88%A8%E1%8A%A0-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%89%B1%E1%8B%95-%E1%8B%9D%E1%8A%93%E1%89%A5-30-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/4408287.html"} {"headline":"ዲሞክራሲያዊ ግንባር ኦሮሞ ምስ መንግስቲ ንክላዘብ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ","content":"ናይ ልዝብ ጉጅለ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ኦሮሞ ኣብ ኢትዮጵያ ኾይኑ ንምስራሕ ብዛዕባ ዝኽእለሉ ኩነታት ንምዝርራብ ሎሚ ንግሆ አዲስ አበባ ኣትዩ’ሎ። ነቲ ናይ ልዝብ ጉጅለ ዝመርሑ አቶ ሊንጮ ለታ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ ዝaተውሉ እዋን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ ናብ ሃገሮም ክመጹ ከምዘተባብዖም ተዛሪቦም ኣለው። ናይ ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ጉዳያት ደሕንነት አማኻሪ አቶ አባዱላ ገመዳ ዝርከብዎም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ድማ ኣብ ከምዝተቀበልዎም ተፈሊጡ’ሎ። መራሒ’ቲ ናይ ልዝብ ጉጅለ አቶ ሌንጮ ለታ ጉጅለኦም ፖለቲካዊ ምንቅስቃሱ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኮይኑ ንምክያድ ስራሕ ዝጀመረ ቅድዲ ሽዱሽተ ዓመታት ምንባሩ ተዛሪቦም ሕጂ ግን ሓድሽ ኩነትን ዕድልን ስለዝተኸፈተ ናብ ሃገር ክንምለስ ተወሲኑ ኣሎ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%8D%E1%8B%9D%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8C%85%E1%88%88-%E1%8B%B2%E1%88%9E%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%88%B2%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%8C%8D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%AD-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9E-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%A9\/4407000.html"} {"headline":"ካብ ሞያሌ ተመዛቢሎም ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ሕጽረት መግቢ የጋጥሞም ምህላው ይገልጹ","content":"ካብ ሞያሌ ተመዛቢሎም ኬንያ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ብሕፅረት መግቢ እናተፀገሙ ምዃኖም ገሊፆም።ዝውሃቦም መግቢ ንህፃናት ስለዘይኸውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ህይወት ሰለስተ ህፃናት ከምዝሓለፈ ሓቢሮም።ረድኤት ኣብ ምቕራብ ዝርከብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ሞት እቶም ህፃናት ብምእማን መንቀሊ ሞት ግን ባህላዊ ሕክምና እዩ ኢሉ’ሎ። ካብ ናይ ኢትዮጵያ ሞያሌን ከባቢኡን ብምምዝንባል ኣብ ከባቢ ሶሎሎ ተዓቑቦም ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ሕጽረት መግቢ የጋጥሞም ከምዘሎ ይገልፁ።ብፍላይ ነፍሰ ጾራትን ኣዴታትን ህፃናትን ጉድኣት ይወርዶም ከምዘለውን ኣብዝሓለፈ ሰሙን ሰለስተ ህፃናት ከምዝሞቱን ስደተኛታት ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም። ምስ ኣርባዕተ ደቀን ኣብዚ ግዚያዊ መፅለሊ ይነብራ ዘለዋ ወ\/ሮ ደርሚ ገልማ ከምዚ ይብላ። “ሕቡራት ሃገራት እዩ ዝሕግዘና ዘሎ።ዝተመጣጠነ መግቢ ኣይንረክብን ዘለና።ዝህቡና ማሸላ ህፃናት ኣይበልዑዎን።ካልእ ተወሳኺ መግቢ እውን የለን።ንህፃናት እንህቦም መግቢ የለን።ሰብ ብሕፅረት መግቢ ይጉዳእ ኣሎ።ኣብዚ መዕቖቢ ስደተኛታት እኹል መግቢ ብዘይምርካቦም ሰለስተ ህፃናት ሞይቶም፤ካልኦት ዝሓመሙ እውን ኣለው።” ኣደ ኣርባዕተ ቆልዑት ወ\/ሮ ቀበሌሳ ፈቶ ወዲ ሰለስተ ዓመት ውላደን ብፅኑዕ ከምዝሓመመ ይዛረባ።እቶም ስደተኛታት እኹል ሓለዋ ስለዘይግበረሎም ስግኣት ድሕነት ኣለና’ውን ይብላ። ብዛዕባ ቅሬታ ስደተኛታት ዝተሓተቱ ኣብ ኬንያ ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይቮን ንዴጌ ኣብ ቀረባ ኣብ ደምበላ ፈቻ ሰለስተ ህፃናት ብባህላዊ ሕክምና ብዝተውሃቦም መድሓኒት ተጎዲኦም ብውፅኣት ምሟቶም ገሊፆም።ብስእነት ተመጣጣኒ መግቢ ዝሞተ ህፃን ከምዘየለን ነዚ ንምክልኻል ን20 ህፃናት ተመጣጣኒ መግቢ ይውሃብ ከምዘሎን ሓቢሮም። ፖሊስ ኬንያ ኣብቲ ግዚያዊ መዕቖቢ ሓለዋ ከምዝገብርን መፃኢ ኩነታት ናይቶም ስደተኛታት ንምውሳን ምስ መንግስቲ ኬንያ ይዘራረቡ ከምዘለው ሓቢሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%9E%E1%8B%AB%E1%88%8C-%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A2%E1%88%8E%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AC%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%95%E1%8C%BD%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2-%E1%8B%A8%E1%8C%8B%E1%8C%A5%E1%88%9E%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%B9\/4406935.html"} {"headline":"ካብ ክልል ሶማሌ ዝተመዛበሉ ብሰንኪ ክራይ ገዛ ኣብ ጎልጎል ተደርቢና ክብሉ የማርሩ","content":"ካብ ክልል ሶማሌ ተመዛቢሎም ኣብ ቢሾፍቱ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ንኣስታት ሽዱሽተ ወርሒ ገዛ ክራይ ክኸፍለልና ቃል ኣትዩ እንተነበረ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ግን ኣብ ጎልጎል ተደርቢና ንርከብ ክብሉ የማርሩ። ኣብ መንጎ ነበርቲ ክልል ኦሮምያን ሶማሌን ብዝተፈጥረ ግጭት ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮምያ ክነብሩን ክሕገዙን ጸኒሖም እዮም። ከተማ ቢሾፍቱ ሓደ ሽሕ ስድራ ቤታት ከተተአናግድ ብዝተወሰነ መሰረት በብደረጃ ስድራ ቤታት ስራሕ ክረኽቡን ገዛእርእሶም ከመሓድሩን ጻዕርታት ክግበር ዝጸንሓ ኮይኑ ገለ ካብኡ ንኣስታት 510 መንእሰያት ስልጠና ብምሃብ ኣብታ ከተማን ከባቢኡን ዝርከባ ፋብሪካታት ክሰርሑ ተመዲቦም እዮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8A%A6%E1%88%AE%E1%88%9D%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%9B%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%89%A5%E1%88%B0%E1%8A%95%E1%8A%AA-%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8C%88%E1%8B%9B-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%8E%E1%88%8D%E1%8C%8E%E1%88%8D-%E1%89%B0%E1%8B%B0%E1%88%AD%E1%89%A2%E1%8A%93-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%89-%E1%8B%A8%E1%88%9B%E1%88%AD%E1%88%A9\/4406920.html"} {"headline":"አዲስ አበባ፡ ላፍቶ ክፍለ ከተማ 2 ሽሕ አባይቲ ብሓይሊ ምፍራሶም መኢኣድ ኣፍሊጡ","content":"ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ አዲስ አበባ ንፋስ ስልክ ላፍቶ ክፍለ ከተማ ፍሉይ ሽሙ ማንጎ ጨፌ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ልዕሊ 2 ሽሕ አባይቲ ብሓይሊ ፈሪሶም ክብል መኢኣድ ኣፍሊጡ። መኢኣድ ምስቶም ተበዲልና ዝብሉ ሰባት ብሓባር ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ነቲ ተፈጺሙ ዝበሎ ተግባር አትሪሩ ኾኒኑ’ሎ። እቲ ኣስታት 2,500 አባይቲ ፈሪስሉ ዝበሃል ዘሎ ቦታ 10 ንዘይኾኑ ሰብ ሃብቲ ይወሃብ ኣሎ ብምባል እዚ ተግባር ደው ክብል መኢኣድ ሓቲቱ’ሎ። ኣብቲ ከባቢ ንልዕሊ 10 ዓመታት ከምዝነበሩን ገዝኦም ብተደጋጋሚ ከምዝፈረሶም ዝገለጹ ኣብቲ አብ ቤት ጽሕፈት መኢኣድ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተረኽቡ ሓያለ ነበርቲ ንሪፖርተር ድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም ኣለው። ካብ ምምሕዳር አዲስ አበባ ኾነ ሰብ ስልጣን’ቲ ከባቢ ምላሽ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%88%8B%E1%8D%8D%E1%89%B6-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%88%88-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-2-%E1%88%BD%E1%88%95-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%89%A5%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%88%AB%E1%88%B6%E1%88%9D-%E1%88%98%E1%8A%A2%E1%8A%A3%E1%8B%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4406896.html"} {"headline":"ሰማያዊ ፓርቲ አብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት’ታ ሃገር መንነት መሰረት ጌሩ ዝፍጸሙ ዘሎ ኢ-ሰብኣዊ በደል ዝበሎ ኣውጊዙ","content":"ናይ ኢትዮጵያ ተቃዋሚ ፓርቲ ሰማያዊ ፓርቲ አብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት’ታ ሃገር መንነት መሰረት ጌሩ ዝፍጸሙ ዘሎ ኢ-ሰብኣዊ በደል ዝበሎ ኣውጊዙ። እዞም በደላት ዝፍጸሙ ዘለው ኣብ ዝተፈላለየ ብርኪ ብዝርኸቡ ኣገልገልቲ’ቲ ስርዓት ዝኾኑ ወሃብቲ አመራርሓ’ዩ ክብል ከሲሱ። ነዚ ንምቅዋም’ውን ሃገርለኸ ተቃውሞ ክገብር’የ ክብል ገሊጹ። ሰማያዊ ፓርቲ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ አብ ዝጸውዖ ጋዜጣዊ መግለጺ ስርዓት ኢህወዲግ አብ ታሪኽ ፈጠራ ተንኮልን ጽልኣትን ንክብርታት ንህዝቢ’ታ ሃገር ብምምራዝ ሓድነት ሃገር ብምንዋጽ ሰላማዊ መነባብሮ ዜጋታት አዝዩ ኣናዊጽዎ’ሎ ክብል ከሲሱ’ሎ። እዚ ከፋፋሊ ስርዓት ዝበሎ’ውን ንሓሳብን መወዳእታን ንኸብቅዕ ዝተጀመረ ህዝባዊ ቃልሲ ተጠናኺሩ ክቅጽል እጃመይ ይገብር እለኹ ክገብር’ውን ክብል ቃል አትዩ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%9B%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A0%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%88%8B%E1%88%88%E1%8B%A9-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%88%B0%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8C%8C%E1%88%A9-%E1%8B%9D%E1%8D%8D%E1%8C%B8%E1%88%99-%E1%8B%98%E1%88%8E-%E1%8A%A2-%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%8A-%E1%89%A0%E1%8B%B0%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%89%A0%E1%88%8E-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%8C%8A%E1%8B%99\/4405465.html"} {"headline":"ሰማያዊ ፓርቲ ናብ ልዝብ ክምለስ ካብ ኢህወዲግ ዕድመ ከምዝተገብረሉ ገሊጹ","content":" ሰማያዊ ፓርቲ ናብ ልዝብ ንኽምለስ ካብ ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዲግ ዕድመ ከምዝቀረበሉ ገሊጹ። እቲ ፓርቲ ናብ ልዝብ ንምእታው ሸምገልቲ ከምዘድልይ ገሊጹ ሓቀኛ ልዝብ ንክህልው አብ ጉዳይ’ታ ሃገር የእትወኒ’ዩ ዝብሉ ኹሎም ሓይልታት ንኽሳተፉ ከምዝሓተተ’ውን እቲ ፓርቲ ገሊጹ’ሎ። ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ወርሒ ግንቦት ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዲግ ንሰማያዊ ፓርቲ አብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ንልዝብ ከምዘዓደሞም ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ እበበ ኣካሉ ገሊጾም። ኣቶ አበበ አካሉ ካብ ጋዜጠኛ ንዝቀረበሎም ሕቶ አብ ዝሃብዎ መልሲ ቅድም ክብል ኣብ ንመንጎ ተቃወምቲ ፓርቲታት ገዛኢ ፓርቲ ተጀሚሩ ካብ ዝነበረ ልዝብ ርእሱ ዘግለለ መርገጺኡ ተኸቲሉ’ዩ ድሕሪ ምባል ሕጂ ንዝቀረበሉ ምላሽ’ውን ነዚ መሰረት ጌሩ’ዩ ኢሎም። ኣቶ ኣበበ ፓርቲኦም ቅድመ ኹነት አቐሚጡ ከምዝነበረን እዚ ኸአ ገልለተኛ ዝኾነ ሸምጋሊ መንጎኛ ክውኸን ይግባእ ዝብል ምኳኑ ንሓድሕድ ሽምግለና ዝበሃል የለን ዝብል መርገጺ ከምዘለዎ ሓቢሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B0%E1%88%9B%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%9D%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%9D%E1%88%88%E1%88%B5-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%A2%E1%88%85%E1%8B%88%E1%8B%B2%E1%8C%8D-%E1%8B%95%E1%8B%B5%E1%88%98-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%88%89-%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4405436.html"} {"headline":"ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣንጻር ውሳነ ምንጻግ ዑቕባ`ታ ሃገር ሰላማዊ ሰልፊ ወጺኦም","content":"ፓርላማ ስዊዘርላንድ ዘሕለፎ ውሳነ ምንጻግን ምጥራዝን ስደተኛታት ንልዕሊ ሰለስተ ሺሕ ኤርትራውያን ኣብ ስግኣት ከምዘውደቐ ካብ ኣዳለውቲ`ቲ ሰልፊ ይገልጹ። እቲ ናይ ምንጻግ ሓደጋ ንኻልኦት ኤርትራውያን`ውን ከራኽበሎም ይኽእል`ዩ ይብሉ ወሲኾም። ነቲ ኩነታት ዑቕባ ኤርትራውያን ዝቕይር ዘሎ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ስለዝተቐየረ ዘይኮነስ፡ ኣብ ስዊዝ ዘሎ ፖለቲካ ስለዝተቐየረ`ዩ ይብል ሴም ሃይለ-ካብ ነቲ ጉዳይ ዝከታተልዎ ሓደ። ካልእ ካብ ኣወሃሃዲት`ቲ ሰልፊ ሓንቲ ዝኾነት ርግኣት ሓዲሽ ብወገና፡ እቲ ደቂ ስዊዝ ዝሳትፍዎ ዘለዉ ናይ ተቓውሞ ጎስጓስ፡ ገለ ውጽኢት ከምጽእ ተስፋ ንገብር ትብል። ምስ ክልቲኦም ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%8B%8A%E1%8B%98%E1%88%AD%E1%88%8B%E1%8A%95%E1%8B%B5-%E1%8B%9D%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A1-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%8C%BB%E1%88%AD-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%8C%BB%E1%8C%8D-%E1%8B%91%E1%89%95%E1%89%A3-%E1%89%B3-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9B%E1%8B%8A-%E1%88%B0%E1%88%8D%E1%8D%8A-%E1%8B%88%E1%8C%BA%E1%8A%A6%E1%88%9D\/4403841.html"} {"headline":"“ዓለም ሕልውቲ ክትከውን ጥዕና ንኹሉ ክባጻሕ ኣለዎ” ዶ\/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም","content":"ጀነራል ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶ\/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ዓለም ሕልውቲ ክትኸውንን ጥዕና ንኹሎም ክባፃሕን ቃል ኣትዮም። ንሶም ነዚ ዝገለፁ እቲ ትካል ዓመታዊ ዋዕልኡ ኣብዝጀመረሉ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እዮም። መበል 70 ዓመት ምምስራት ትካል ጥዕና ዓለም ብውዕውዕ ኩነታት ኣኽቢሮምዎ ኣለው።ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ብዙሕ ዘሐጉሱ ውፅኢታት እንተለው እውን ኣብ ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝተለዓለ ሕማም ኢቦላ ደው ንምባል ሰራሕተኛታት ጥዕና ህይወቶም ኣብ ሓደጋ የውድቑ ኣለው ኢሎም። “ሕሙማት ኢቦላ ኣብ ከተማ ምርካቦም ዘሰክፍ እዩ፣ነቲ ለበዳ ኣብ ቁፅፅር ንምውዓል ግን ኣብ 2014 ዓ.ም ካብ ዝነበረ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ኣለና።ኣብዚ ንዛረበሉ ዘለና ሰዓት ክታበት ምሃብ ከምዝተጀመረ ኸኣ ከበስረኩም እደልይ።” ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ 47 ሃገራት መልሲ ካብዝሃበሎም 50 ህፁፅ ሓገዛት እቲ እንኮ ምዃኑ ዶ\/ር ቴድሮስ ገሊፆም።ንቕድሚት ለበዳታት ሕማማትን ሓደጋን ንምክልኻል ዝበለፀ መንገዲ ስርዓተ ጥዕና ኣብ ኩሉ ምሕያል እዩ ኢሎም። ተመሓላለፍቲ ዘይኮኑ ሕማማት ዝከታተል ዝለዓለ ኮሚሽን ምጥያሹን ሚሊዮናት ሰባት ግዳያት ክትከላኸሎ ብእትኽእል ሕማማት ዝሞትሉ ኹነታት ደው ንምባልን ይስራሕ ኣሎ ኢሎም። ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ጥዕና ዓብዪ ፅልዋ ንምምፃእ ዝዓለመ ሓድሽ ናይ ሓሙሽት ዓመት ስትራተጂያዊ ትልሚ ጀሚሩ’ሎ።ዶ\/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሸቶ ናይዚ ትልሚ ኣብ ዓለም ንዝርከቡ ኩሎም ድኻታት ይኹኑ ሃብታማት ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎ ጥዕና ንምብፃሕ እዩ ኢሎም።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D-%E1%88%85%E1%88%8D%E1%8B%8D%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%8A%A8%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%8A%95%E1%8A%A9%E1%88%89-%E1%8A%AD%E1%89%A3%E1%8C%BB%E1%88%95-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8E-%E1%8B%B6-%E1%88%AD%E1%89%B4%E1%8B%B5%E1%88%AE%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%B5%E1%88%93%E1%8A%96%E1%88%9D\/4403660.html"} {"headline":"ቀ\/ሚ አብይ አሕመድ ሸኽ አላሙዲ ከምዝፍትሑ ሓቢሮም","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ\/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ መወዳእታ ሰሙን ኣብ ስዑዲ ዓረብን ዓረብ ኢማራትን ኣብ ዘካየድዎ ዑደት ዕዉት ነይሩ ክብሉ ገሊፆም።ሸኽ ኣላሙዲን እውን ኣብ ቀረባ ክፍትሑ እዮም ኢሎም። ብተወሳኺ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ንምህናፅን ብልሽውና ንምቅላስን ንህዝቢ ከተማታት ደምቢ ደሎ፡ቀሌምን ወለጋን ፀዊዖም። ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ኣብ ስዑዲ ዓረብን ዓረብ ኢማራትን ዝገበርዎ ዑደት ዕውት ኔሩ ክብሉ ድሕሪ ምግላጽ ብፍላይ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝገበርዎ ዑደት መብዛሕትኡ ዘቅረብዎ ሕቶ አወንታዊ ምላሽ ረኺቡ ክብሉ ገሊጾም። ኣብ ስዑዲ ዓረብ ካብ ዝተአሰሩ ኢትዮጵያዊያን ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ናብ ሃገሮም ክአተው ከምዝጀመሩ ገሊጾም ኔሮም። ሸኽ መሓመድ ዓሊ አላሙሲ ብዝምልከት'ውን ከምዚ ኢሎም። \"ምእሳር ሸኽ አላሙዲን ኣብ ዓለም ዘለው ዲያስፖራ ኹሎም አጀንዳኦም ኽከውን አለዎ ምክንያቱ ኢትዮጵያ ንስኻ ንስኺ እንተኾይና ሓንቲ ኢትዮጵያ ተአሲራ'ላ ኢሎም።\" ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A0%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A0%E1%88%95%E1%88%98%E1%8B%B5-%E1%88%B8%E1%8A%BD-%E1%8A%A0%E1%88%8B%E1%88%99%E1%8B%B2-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8D%8D%E1%89%B5%E1%88%91-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%AE%E1%88%9D\/4403643.html"} {"headline":"አብ አዲስ አበባ ቦሌ ቡልቡላ ዝተባህለ ከባቢ ነታጒ ምትኳሱ ተገሊጹ","content":"ኣብ ኣዲስ አበባ ቦሌ ቡልቡላ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ትማሊ ምሸት ነታጒ ከምዝተተኮሰ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊፆም። ፖሊስ ኮሚሽን ከተማ አዲስ አበባ እውን ነዚ ኣረጋጊፁ’ሎ። እቲ ነታጒ ዝተተኮሰ ምሸት ከምዝኾነ ዝገለጹ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ኣብ ቦሌ ቡልቡላ ዝተባህለ ቦታ ከባቢ ፊት ንፊት አለም ካፌ ምኳኑን ዓብይ ስንባደ ፈጢሩ ምንባሩን ሓቢሮም። ሓደ ካብቶም ናይ ዓይኒ መሰካኽር ናይ ተቃዋሚ ፓርቲ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ናይ መንእሰያት ሊግ ኣመራርሓ አቶ አዲሱ ቡላላ በቲ ከባቢ ይሓልፉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እቲ ነታጒ ምትኳሱ ይገልጽ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A0%E1%89%A5-%E1%8A%A0%E1%8B%B2%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A0%E1%89%A3-%E1%89%A6%E1%88%8C-%E1%89%A1%E1%88%8D%E1%89%A1%E1%88%8B-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%88-%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A2-%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%8C%92-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8A%B3%E1%88%B1-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4403623.html"} {"headline":"\"ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ዳጎንተ ዝተቐትልሉ ፋጻሜ ምስቲ ትካል ዝተሓሓዝ ኣይኮነን\" ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ","content":"አካያዲ ስራሕ ኩባንያ ሲሚንቶ ዳጎንቴ ኢትዮጵያ ዲና ካማራንን ክልተ ኢትዮጵያዊያን መሳርሕቶምን ዝተቀትሉ ምስቲ እቲ ኩባንያ ስራሕ ብዝተሓሓዝ አይኮነን ክብሉ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ነቶም ቀተልቲ ብምሉእ ብምሉእ ሓይሊ ንደል ኢና ክብል ኮሚሽነር ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ዶ\/ር በላቸው መኩርያ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም። ኣብ ኢትዮጵያ አካይዲ ስራሕ'ቲ ናይ ወጻኢ ኩባንያ ህንዳዊ ዲና ካማራንን ክልተ ኢትዮጵያዊያን መሳርሕቶም ወ\/ሮ በአካል አለልኝን አቶ ጸጋየ ግደይ ዝተቀትሉ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ሞዕራብ ሸዋ አብ መስመር ኣምቦ'ዩ ዝበሉ ኮሚሽነር ኢንቨርስትመንት ኢትዮጵያ ዶ\/ር በላቸው መኩርያ ብሞት'ቶም አካያዲ ስራሕን መሳርሕቶም ዝተሰምዖም ጓሂ ገሊጾም። ዶ\/ር በላቸው ሎሚ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መጠይቅ ቤት ዕዮኦም ነቲ ኩነታት ይከታተሎ ከምዘሎን ቀዳማይ ሚንስትር አብይ ምስ ወናኒ'ቲ ትካል ብስልኪ ከምዘዘራረብዎምን ዝተሰምዖም ሓዘን ምግላጾምን ሓቢሮም። ዳጎንቴ ብናይጀርያዊ ዝውነን ትካል ኮይኑ ላዕለዎት ኣመራርሓ'ቲ ትካል ናብ ኢትዮጵያ መጺኦም ምዝርራቦምን ጽልዋ'ቲ ፍጻሜ ቀሊል ከምዘይኮነ ሓቢሮም። ፋብሪካ ዳጎንቴ ስርሑ ቀጺሉ ከምዘሎን እንተኾነ እቲ ፍጻሜ ምስቲ ኩባንያ ዝተሓሓዝ ከምዘይኮነ ከምዘረጋገጹ ሓቢሮም። ፋብሪካ ዳጎንቴ ብናይጀርያዊ ትካል ዝውንነ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝርከብ ፋብሪካ ሲሚንቶ'ዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A0%E1%8A%AB%E1%8B%AB%E1%8B%B2-%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%88%95-%E1%8D%8B%E1%89%A5%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8B%B3%E1%8C%8E%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0q%E1%89%90%E1%89%B5%E1%88%8D%E1%88%89-%E1%8D%8B%E1%8C%BB%E1%88%9C-%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%89%B2-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8D-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%93%E1%88%93%E1%8B%9D-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8A%AE%E1%8A%90%E1%8A%95-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%8A%95%E1%89%A8%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%98%E1%8A%95%E1%89%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB\/4400518.html"} {"headline":"ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ንተቓወምቲ ክሕግዙ ተሰማሚዖም ክትብል ትኸስስ፡ ኢትዮጵያ ነዚ ክሲ ትነጽግ","content":"ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ አብይ አሕመድ ኣብ ቀረባ ኣብ ካርቱም ሱዳን ናይ ስራሕ ዑደት ኣብ ዘካየድሉ ክልቲኣን ሃገራት ንተቃወምቲ ኤርትራ ዝበልዎም ጉጅለታት ብዝግባእ ስርሖት ንክሰርሑ ኣብ ከባቢ ዶባት ብነጻነት ክንቀሳቀሱን ዘድልዮም መሳርሕን ናውትን ንኽቅርብሎም ተሰማሚዖም ክብል ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከሲሱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ክሲ አሉታዊ መልሲ ሂቡ’ሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ዝተጠቅሰ ንምፍጻም ዝባኽን ጊዜን ሃብትን የብሉን ክብሉ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት አቶ መለስ አለም ንድምጺ ኣሜርካ ሓቢሮም። አቶ መለስ አለም ብዛዕባ’ዚ ብኤርትራ ዝቐረበ ክሲ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ ከምዚ ዓይነት ክሲ ብወገን ኤርትራ ክቐርብ ሓድሽ ኣይኮነን ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%89%B0%E1%89%93%E1%8B%88%E1%88%9D%E1%89%B2-%E1%8A%AD%E1%88%95%E1%8C%8D%E1%8B%99-%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%88%9B%E1%88%9A%E1%8B%96%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8A%B8%E1%88%B5%E1%88%B5-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%90%E1%8B%9A-%E1%8A%AD%E1%88%B2-%E1%89%B5%E1%8A%90%E1%8C%BD%E1%8C%8D\/4398703.html"} {"headline":"ኣብ ክልል ዓፋር ሰባት ተዓፊኖም ይእሰሩ ኣለው ክብል ናይ ዓፋር ማእከል ሓበሬታ ይኸስስ","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ሰባት እናተዓፈኑ ይእሰሩ ኣለው ይብል ዝበፅሐና ሓበሬታ ካብ ቤልጁም ዳይሬክተር ናይ ዓፋር ማእኸል ሓበሬታ ኣቶ ኣካዲር ኢብራሂም ብዛዕባ ምዕፋን እቶም ሰባት ከምዚ ይብሉ። “ኣብኡ ዘሎ ኩነታት መዓልታዊ ይከታተሎ እየ።እቶም መናእሰይ ኣብኡ ዘካይድዎ ነገር ብኢሜይል ይኹን ብፎቶ ነቲ ምንቅስቓስ በብእዋኑ የፍልጡኒ እዮም።” ኣቶ ኣካዲር ካብ ቤልጁም ብኢሜይል ኣብዝለኣኹዎ ፅሑፍ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ክልል ዓፋር ዩኒቨርስቲ ሰመራ ዝተለዓለ ዓመፅ ናብ ካልኦት 32 ወረዳታት ከምዝተጋፍሐ ይሕብር። ናይ ዩኒቨርስቲ ሰመራ ሓላፊ ውዳበ ሓይሊ ሰብ ኣቶ ሳሌህ ረሺድ ቅድሚ ሓሙሽተ ወርሒ ተዓፊኖም ከምዝተወስዱ፣ኣብዚ ሰዓት እዚ ኣበይ ከምዘለው ከምዘይፍለጥን መምህር ናይቲ ዪኒቨርስቲ ምዃኖም ዝገለፁን ሽሞም ክግለጽ ዘይደለዩን ተዛሪቦም ኣለው። “ቅድሚ ሓሙሽተ ወርሒ ሓላፊ ውዳበ ሓይሊ ሰብ ዩኒቨርስቲ ሰመራ ዝነበሩ ኣቶ ራሺድ ሳሊሕ ኣብ መዓልቲ ብሄርን ብሄረሰባትን ንሕክምና ካብ ጅቡቲ ኣብ ዝተመለስሉ ተዓፊኖም ከምዝተወሰዱ እዩ ዘለና ሓበሬታ።ክሳብ ሕጂ ኣበይ ከምዝኣተው ኣይፍለጥን።” መን ከምዝኣሰሮም ዝተሓተቱ እዞም መምህር ምዃኖም ዝገለፁ ሰብ ግምትና ህውሓት ናይ ዝመርሖ መንግስቲ ደሕንነትን ብኣብዴፓ ከምዝተሰወረ እዩ ዘለና ሓበሬታ ኢሎም። እቲ መንእሰይ ዘልዕሎም ብዙሓት ሕቶታት ዝልዓሉ እንተኾኑ እውን ዝምልስ ኣካል የለን ኢሎም ብምውሳኽ። ምስዚ ተቓውሞ ብዝተኣሳሰረ ሓደ ተማሃራይን ኣባል ፖሊስ ናይቲ ዩኒቨርስቲን ከምዝተኣሰሩ ካልኦት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ድማ ካብ ፖሊስ ናይ ትድለዩ ኣለኹም ዝብል ትእዛዝ ዝበፅሖም ከምዘለው እዞም ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ መምህር እየ ዝበሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ኣምሓርኛ ገሊፆም። ካብ ሰበስልጣን እቲ ክልል መልሲ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8B%93%E1%8D%8A%E1%8A%96%E1%88%9D-%E1%8B%AD%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%88%A9-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8D-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%93%E1%8D%8B%E1%88%AD-%E1%88%9B%E1%8A%A5%E1%8A%B8%E1%88%8D-%E1%88%93%E1%89%A0%E1%88%AC%E1%89%B3-%E1%8B%AD%E1%8A%B8%E1%88%B5%E1%88%B5\/4398507.html"} {"headline":"ሓሙሽተ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብጥሮታ ካብ ሓላፍነቶም ክዓርፉ ተወሲኑ","content":"ኣቶ ስብሓት ነጋ(ኣቦይ ስብሓት\/)ሓዊሱ ኣብ ውድብን መንግስትን ከገልገሉ ዝጸንሑ ሓሙሽተ ሰበስልጣን ብጥሮታ ካብ ሓላፍነቶም ንክዓርፉ ምውሳኑ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጡ። ኣቶ ስብሓት ነጋ ዋና ዳይረክተር ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ስትራተጂ ርክብ ወፃኢ ጉዳያት ብምዃን ክገልግሉ ዝፀንሑ እዮም። ብጡሮታ ክዓርፉ ዝተገብሩ ካልኦት ሰበስልጣን ኣብ ማእኸል ፖሊሲ መፅናዕትን ምርምርን ከገልግሉ ዝፀንሑ ዶ\/ር ካሱ ኢላላ፣ኣብ ፕሮጀክት ፖሊሲ ዝተዋደደ ኣጠቓቕማን ትልምን መሬት ከገልግሉ ዝፀንሑ ኣቶ በለጠ ታፈረ፣ኣብ ንግድን ኢንዱስትሪን ትልሚ፣ኣፈፃፅማን ክትትልን ፖሊሲ ከገልግሉ ዝፀንሑ ኣቶ ታደሰ ሃይለን ኣብ ማእኸል ምርምር ፖሊሲ ከገልግሉ ዝፀንሑ ኣቶ መኮነን ማንያዘዋልን እዮም። ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ሓላፍነት መንግስቲ ከገልግሉ ንዝፀንሑ ውልቀሰባት ብጥሮታ ክዓርፉ ናይ ምግባር ስራሕ ከምዝቕፅል እውን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣፍሊጡ’ሎ። ኣብታ ሃገር ይካየድ ዘሎ ለውጢ ዕውት ንኽከውንን ድልየት ልምዓትን ለውጥን ህዝቢ ንምምላስን ዘኽእሉ ስጉምትታት እናተወስዱ ምዃኑ ተሓቢሩ’ሎ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%88%99%E1%88%BD%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%89%A0%E1%88%B5%E1%88%8D%E1%8C%A3%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8C%A5%E1%88%AE%E1%89%B3-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8D%E1%8A%90%E1%89%B6%E1%88%9D-%E1%8A%AD%E1%8B%93%E1%88%AD%E1%8D%89-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%B2%E1%8A%91\/4396954.html"} {"headline":"ኬንያ: ንናይ ሳይበር ገበን ምቁጽጻር ዝሕግዝ ሕጊ ኣጽዲቃ","content":"ፕረዝደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ናይ ሳይበር ገበን ንምቁጽጻር ዝሕግዝ ሕጊ ትማሊ ሶሉስ ኣጽዲቆም።እቲ ሕጊ ሓቅነት ዘይብሎም ሓበሬታ ንዝፍንው ሰባት ኮነ ትካላት 5 ሚልዮን ናይ ኬንያ ሽሊንግ ወይ ናይ ክልተ ዓመታት ማእሰርቲ ከምዝቕጽዑ ይገልጽ። ኬንያ ናይ ሳይበር ገበን ንምቁጽጻር ዝሕግዝ ሕጊ ትማሊ ዘጽደቐት ክትከውን ከላ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ድማ ነዚ ሕጊ ብፊርማ ኣረጋጊጾሞ ኣለው። እዚ ንናይ ሳይበር ገበን ንምቁጽጻር ዝሓለፈ ሕጊ ንናይ ሳይበር ዓመጽ፡ ናይ ሓሶት ሓበሬታትን ትምነያን ዝኣመሰሉ ገበናት ንምቁጽጻር ዝሕግዝ እንተኮነ ኣብ ሓበሬታ ብነጻነት ምትሕልላፍ ጸቕጢ ክፈጥር ከምዝኽእል፡ በዚ ድማ ቀዳሞት ግዳያት ጋዜጠኛታትን ጸሓፍቲ ዓምዲ ኢንተርነት ከምዝኮኑ ትካላት ተሓለቕቲ መሰላትን ነቐፍትን ይገልጹ። ሰብሞያ ሕጊ’ታ ሃገር ነዚ ሕጊ ዝሓለፈ ወርሒ ውሳነ ዝሃቡ እንተኾነ ትማሊ ብወግዒ ምጽዳቁ ተፈሊጡ’ሎ። ሮበርት አላይ ዝተባህለ ጸሓፊ ዓምዲ ኢንተርነት ብመጀመርያ ኬንያ ንነጻነት ፕረስ ዝምልከት ሕጊ ኣብ ሕገ መንግስታ የለን ስለዚ እዚ ናይ ሕጂ ሕጊ ንምንታይ አድላይ ምኳኑ ግልጺ ኣይኮነን ይብል። ብተወሳኺ ሓበሬታ ብነጻነት ኣብ ምትሕልላፍ ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ ከምዝኽእል ስግኣቱ ይገልጽ። “እዚ ሕጊ ሓበሬታ ብነጻነት ምትሕልላፍ ዝክልክል ሕጊ’ዩ። ብርግጽ ንመሓውራት ዜና ዝክልክል እንተዘይኮነ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓቀኛ መሓውር ዜና ኣብ ኢዱ ቴሌፎን ዝሓዘ ሰብ’ዩ። እዚ ሕጊ ድማ ነዚ ከምዚ ዓይነት ሰብ ዝጎድእ’ዩ። ቅድሚ ገለ ዓመታት ምስ ሓደ ዓርከይ ሓደ ናይ ብልሽውና ክሲ ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪብና፡ ኣብቲ ጊዜ መንግስቲ ዘተሓሳስቦ ዝነበረ ነቲ ክሲ ብዛዕባ ምርማር ዘይኮነ እቲ ሓበሬታ ብኸመይ መንገዲ ከምዝረኸብናዮ እዩ ስለዚ ሕጂ መንግስቲ ነዞም ከምዚ ዓይነት ሰባት እዩ ተጽዕኖ ዝገብር ዘሎ።” ሮበርት ብተወሳኺ እዚ ትማሊ ዝሓለፈ ሕጊ ሰባት ኣብ ዲጂታል ምትሕልላፍ ሓበሬታ ርእሶም ከግልሉ ዘገደዱ’ዮ እዚ ድማ ነቲ ዝበራታዕ ዘሎ ዲሞክራሲ ኬንያ ዝጎድእ’ዩ ክብል ስግኣቱ የረድእ። ንደሕንነት ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ኣብ ኒው ዮርክ ዝመደበሩ ትካል CPJ ብናይ ኣፍሪቃ ወኪሉ አንጀላ ኪዊንታል ኣቢሉ ንዴይሊ ኔሽን ዝተባህለ ጋዜጣ ኬንያ ኣብ ዝሃብቦ ቃል እቲ ሕጊ ንጋዜጠኛታትን ንናይ ኢንተርነት ዓምዲ ጸሓፍቲ ዒላማ ዝገብር’ዩ ኢለን ኣለዋ። ናይቲ ሕጊ ረቒቅ ሕጊ ዘዳለወናይ ኤንያ ኢንፎርሜሽንን ቴክኖሎጂን ሚንስትሪ ንክልተ ዓመታት ክሰርሓሉ ዝጸንሓ ምኳኑ ተፈሊጡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AC%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%B3%E1%8B%AD%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%8C%88%E1%89%A0%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%8C%BB%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%88%95%E1%8C%8D%E1%8B%9D-%E1%88%95%E1%8C%8A-%E1%8A%A3%E1%8C%BD%E1%8B%B2%E1%89%83\/4396817.html"} {"headline":"መበል 12 ሃገራዊ ዋዕላ ሓምላይ ወፍሪ ኤርትራ ተቃኒዑ","content":"መበል 12 ዓመት ሃገራዊ ዋዕላ ሓምላይ ወፍሪ ኤርትራ “ሓምላይ መሬት፡ ውሑስ ሂወት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ሎሚ 15 ግንቦት, 2018 ኣብ ኤክስፖ- ኣስመራ ተቃኒዑ። ኣብቲ ዋዕላ ሚንስትር ሕርሻ ኣቶ ኣራፋይነ በርሀ ኣብ ዘስምዖ መደረ ናይ መወዳእታ ሸቶና ልምዕትን ፍርያምን ሃገር ምህናጽ’ዩ ድሕሪ ምባል፡ምግራብ ሓላፍነት ናይ ኩሉ ሕብረተሰብ ምዃኑ ተገንዚብና ብዝያዳ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ኣብ ዓድታትን ብዝያዳ ምስ ዝስራሕ ”ንሓርሶ ስቡሕ፡ዘይንሓርሶ ኸኣ ልሙዕ “ ከምዝኸውን ዘጠራጥር ከምዘይኮነ ኣብሪሁ። ኣቦ መንበር ናይቲ ሃገራዊ ወፍሪ ኣቶ ፍጹም ሓጎስ ብወገኑ፡ኣብ’ዘን 12 ዓመታት ኣፍልጦ ሕብረተሰብ እናዓበየ ይመጽእ ብምህላዉ ኮም ዝሰረቱ ውሁድ ልምዓታዊ መደባት ብምትእትታው ዓድታት ተጠቀምትን ወነንቱን ዝኾኑሉ ስርሓት ይስርሑ ከምዘለዉ ኣረዲኡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%89%A0%E1%88%8D-12-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%8B%E1%8B%95%E1%88%8B-%E1%88%93%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%8B%AD-%E1%8B%88%E1%8D%8D%E1%88%AA-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%B0%E1%89%83%E1%8A%92%E1%8B%91\/4395200.html"} {"headline":"እገዳ ኤርትራ ኣመልኪቱ ኢትዮጵያ ንዝሃበቶ መግለጺ ኣቶ የማነ ገ\/መስቀል ዝሃብዎ ግብረ መልሲ","content":"ኢትዮጵያ ‘ሕ\/ሃ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ ንክለዓል ዘኽእል ብቑዕ ጭብጢ ኣብ ባይታ የለን’ ክትብል ንዝሃበቶ መግለጺ ሚኒስትር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል መልሲ ሂቦም። ንሶም ኣብ ዝፈነውዎ ትዊተር ‘ሚኒስትር ዴኤታ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ኢርትራ ምቕጻል እገዳ፣ ኣብ ኢትዮጵያ መገሻ ንዝፈጸሙ ኣባላት ጉጅለ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ\/ሃ ሃቲፈን’፣ ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ኢትዮጵያ ዲፕሎማስያዊ ጭዋዳ ኣለዋ ኢለን ይሓስባ እንተኾይነን ኣብ ኩኩ-ዓለም’የን ዝነብራ ዘለዋ’ እውን በሉ ኣቶ የማነ ገ\/መስቀል። ኣቶ የማነ ኣብ ትዊተሮም ‘እቲ ሓቂ - ዘይሕጋዊ እገዳ፣ ሕጋዊን መርተዖ ዘይብሉን፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣብ 2009 ዓም ዝተወሰነ ነቲ ናይ ሽዑ ምምሕዳር ኣሜሪካ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ንምዕዋት ተባሂሉ’ዩ። እቲ ነገር ልዕሊ’ቲ አገዳሲ ዘይኾነ ጎይቒ ህወሓት’ዩ’ እውን በሉ። ኣቶ የማነ ወሲኾም \"ክትቅጻዕ ዝነበራ ኢትዮጵያ'ያ፡ ምኽንያቱ ነቲ ብውሕስነት ባይቶ ጸጥታ ዝተግብረ ስምምዕ ኣልጀርስን፡ ነቲ ሉኡላዊን ግዝኣታዊ ሓድነትን መሬት ኣባል ሃገራት ዘኽብር ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ብምጥሓሳ\" ኢሎም ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/eritrea-reacted-to-ethiopia-regarding-sanction-on-eritrea\/4390396.html"} {"headline":"ስደተኛታት ሸኸም ድዮም ወይስ ዕድላት ንግዲ?","content":"ስደተኛታት ሸኸም ድዮም ወይስ ዕድላት ንግዲ? ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ኣብ ባንኪ ዓለም ፋይናንሳዊ ኮርፖሬሽን ዓለም ዝተበሃለ ትካል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብዝገበሮ መፅናዕቲ ናይ ንግዲ ዕድላት እዮም ክብል ይከራኸር። ብዕድመን ብስፍሓትን ካብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኬንያ ከተማ ካኩማ ዝርከብ መዕቖቢ ስደተኛታት ክኢላታት ናይቲ ትካል ኣፅኒዖምዎ ኣለው።ንውልቂ ኢንቨስተራት ዓብዪ ዕድል ምዃኑ ኣረጋጊፆም። ስደተኛታት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኬንያ ካኩማ ኣብ ዝርከብ መዕቖቢ ካምፕ ካብ ኣገልግሎት ዋይ ፋይ ክሳብ መሸጢ ዝተዓሸገ መግቢ ልዕሊ 2,000 ናእሽቱ ትካላት ንግዲ ይንቀሳቕሱ። ኣብቲ ካምፕ ዝነበሩ መብዛሕቲኡ ኣታዊኦም ረድኤት እዩ።ካብታ ሃገር ዝረኽቡዎ ኣገልግሎታት የለን፣ብዙሓት ግን ከፈልቲ ግብሪ እዮም።ኢትዮጵያ ስደተኛ መስፍን ጌታሁን ንግዲ ከመይ ከምዝጀመረ ይዛረብ። “ሒዘዮ ዝመፃእኹ ነገረ ኣይነበረንን።ካብ ባዶ ተላዒለ ኣብዚ መዕቖቢ ስደተኛታት ናይ ባዕለይ ንግዲ ጀሚረ።ተቖፂረ ንምስራሕ ብምድላይ እየ ጀሚረዮ።ሕዚ ግን ከምቲ እትሪእዎ ዘለኹ ኣብዚ ደረጃ እዚ በፂሐ ኣለኹ።” International Financial Corporation \/IFC\/ ፋይናንሳዊ ኮርፖረሽን ዓለም ካኩማ ውዑይ ዘይስሩዕ ቁጠባ ስለዝኾነ ናይ ውልቂ መወልቲ ወይ ኢንቨስተራት ነዚ ዕድል እዚ ክብለፅሉ ይፅውዕ። ሚሸል ቦዙንግ ኣብ ናይሮቢ ናይቲ ትካል ሰራሕተኛ እያ። “እወ።ቀንዲ ትኹረት ናይ ውልቂ ዘፈረ ገንዘብ ምትራፍ እዩ።ናይ ውልቂ ዘፈር ብግዲኡ ነቲ ዘተናግድ ዘሎ ህዝብን ነቲ ስደተኛን ዕድላት ስራሕ ይፈጥር።ናይ IFC ተመኩሮ ሕሉፍ 60 ዓመታት ነዚ እዩ ዘርኢ።ቁጠባዊ ዕብየት እውን ናብቲ ከባቢ ይስሕብ።” 26 ዓመቱ ዘቑፀረ እዚ ናይ ስደተኛታት ካምፕ ንከተማ ካኩማን ናይ 56 ሚሊዮን ዶላር ቁጠባ ወሲኹላ’ሎ። ቤንጃሚን ኤካል ኤክዋማ ወናኒ ሓደ መሸጢ ምፅሓፍ እዩ።ኣስታት 70 ሚእታዊት ንግዳዊ ርክባትና ምስቲ መዕቖቢ ስደተኛታት ብፍላይ ድማ ኣብዙሪኡ ምስ ዝሰርሑ ዘይመንግስታዊ ትካላትን እዮም ይብል። ብዝሒ ህዝቢ ናይቲ መዕቖቢ ኣብቶም ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብልዕሊ ዕፅፊ ወሲኹ’ሎ።እቶም ስደተኛታት ካብ 18 ሃገራት ዝመፁ ክኾኑ ከለው ኣብ ቀረባ ዝኣተው ግን መብዛሕቲኦም ደቡብ ሱዳናዊያን እዮም። ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ዝተነብረ ደረት ምንቅስቓስ ብሕጋዊ ኣገባብ ንብረት ከየጥርዩን ከየካረዩን በነፃነት ተነቀሳቒሶም ምስ ኬንያዊያን ብሽርክና ከይሰርሑን ዕንቅፋት ኮይኑዎም ኣሎ። ኬንያ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘንበረቶ እገዳ እትቕይር ኣይትመስልን፤ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ግን ካብ ናይ መግቢ ረድኤት ናብ ናይ ገንዘብ ሓገዝ እናተሰጋገረ ይርከብ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%B8%E1%8A%B8%E1%88%9D-%E1%8B%B5%E1%8B%AE%E1%88%9D-%E1%8B%88%E1%8B%AD%E1%88%B5-%E1%8B%95%E1%8B%B5%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%8B%B2-\/4390373.html"} {"headline":"ሓረስቶት ምብራቅ ኢትዮጵያ ካብ ቡን ምፍራይ ናብ ምፍራይ ተኽሊ ጫት ይሰጋገሩ","content":"ሓረስቶት ምብራቅ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ከባቢ አወዳይ ነቲ ንወለዶ ከፍርይዎ ዝጸንሑ ፍርያት ቡን ብምግዳፍ ጫት ከፍርዩ ጀሚሮም ኣለው ። ጀማሊ ሙሳ ሓደ ካብቶም ንሕርሻ ቡን ገዲፎም ጫት ከፍርዩ ዝጀመሩ ሓረስቶት’ዩ : ንሱ እዚ ምፍራይ ጫት ዝያዳ አታዊ ከምዘሎ ይገልጽ። “ካብ ፍርያት ጫት ብዙሕ ጥቕሚ እየ ዝረከብ ነቲ ፍርያት ካብ ሕርሻ ቦታ ምስ አእተናዮ ሽዑ ሽዑ ናብ ዕዳጋ ክንሸጦ ንኽእል ኢና ።ኣነ’ውን ተጠቓሚ ብምዃነይ ዝያዳ ንጡፍን ውጺኢታዊ ክኸውን ሓጊዙኒ’ዩ። ናብራይ ክመርሕ ክኢለ’የ” ይብል። ንሱ ብተወሳኺ ዝበዝሑ ሓረስቶት’ቲ ከባቢ ንፍርያት ጫት ኣብ 2000 ዓ.ም ምጅማሮን ምክንያቱ ድማ ዋጋ ቡን ብምዝሕታሉ ምዃኑ ይገልጽ። ዋጋ ሓደ ኪሎ ቡን 50-60 ብር’ዩ: ዋጋ ጫት ግን ንሓደ ዕታር ክሳብ 100 ብር ይበጽሕ ክብል ወሲኹ የረድእ። ጀማል ቀጺሉ ሓረስቶት ጫት ኣብ ዓመት ክልተ ጊዜ ከምዘእትው ቡን ግን ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ ጥራይ ከምዝኣትው ይሕብር። እዚ ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ምዕራብ ሕጋዊ ዘይኾነ ተኽሊ ጫት ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ወሽመጥ ዓረብ ፍቱው ኮይኑ ብብዝሒ ድማ ኣብ ኢትዮጵያን ኬን ያን ይፈርይ። ኢያሱ ኩተሎ ድማ ኣቐዲሙ ንምዕቃብ ዱር ዝምልከት ኣፍልጦ ከምዘይነበሮም፥ ኣብ ምፍራይ ቡንን ኣግራብ ድማ ንመጽለሊ ይቆርጹ ከምዝነበሩ ይሕብር፤።ድሒሩ ግን ተኽሊ ቡን ብሰንኪ መጽለሊ ምስኣን ይጠፍ እ ምህላው ከምዝተረድኡ ይገልጽ። ኢትዮጵያ ንኡጋንዳ ስዒባ ኣብ ኣፍሪቃ ብፍርያት ቡን ካልኣይ ደረጃ ትስራዕ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%93%E1%88%A8%E1%88%B5%E1%89%B6%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%89%85-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%89%A1%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8D%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%8A%BD%E1%88%8A-%E1%8C%AB%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%88%B0%E1%8C%8B%E1%8C%88%E1%88%A9\/4389864.html"} {"headline":"ሕ\/ሃ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ ክለዓል እኹል ጭብጢ የለን ክትብል ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ","content":"ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ ንምልዓል ዘኽእሉ ጭቡጥ ለውጥታት ኣይተርኣዩን ክትብል ኢትዮጵያ ንቀወምቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጣ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዑደት ይፍፅሙ ዘለው ኣርባዕተ ኣምባሳደራት ቀወምቲ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተቐበላ ናይ ኢትዮጵያ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ሚንስትር ድኤታ ወ\/ሮ ሂሩት ዘመነ ‘’መንግስቲ ኤርትራ ቅድም ክብል ዝሓዞ ባህሪ ክይለወጠ ነቲ እገዳ ምፍኳስ ኣብቲ ከባቢ ተፅዕኖ ክህልዎ እዩ’’ ምባለን ወሃቢ ቃል እቲ ሚንስትሪ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣረጋጊፆም። መንግስቲ ኤርትራ ቅድሚ ትሽዓተ ዓመታት ዝተነብረ እገዳ ሕጋዊ ይኹን ምኽንያታዊ መረጋግፂ የብሉን ክብል ክልዓል ብተደጋጋሚ ሓቲቱ’ሎ። ሚንስትር ወፃኢ ጉዳያት ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳሊሕ ንመበል 72 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት ኣብዘስምዕዎ መደረ እቲ እገዳ ‘’ሚዛናውነትን ፍትሓውነትን ዝጎደሎ ስለዝኾነ’’ ክልዓል ከምዘለዎን እቲ እገዳ ምቕፃሉ ፋይዳ ዘይብሉ ውሳነ እዩ ምባሎም ይዝከር። ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሶማልን ኤርትራን ዘንበሮ እገዳታት ኣፅዋር፣በቲ ኮሚቴ ኣብ ልዕሊ ዝተረቑሑ ውልቀሰባት ናይ ጉዕዞ እገዳን ምድስካል ንብረትን ዝሓወሰ እዩ።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%88%8A-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8B%98%E1%8A%95%E1%89%A0%E1%88%AE-%E1%8A%A5%E1%8C%88%E1%8B%B3-%E1%8A%AD%E1%88%88%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8A%A5%E1%8A%B9%E1%88%8D-%E1%8C%AD%E1%89%A5%E1%8C%A2-%E1%8B%A8%E1%88%88%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%89%A5%E1%88%8D-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A3-\/4388639.html"} {"headline":"\"ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ሕቶታት ሎሚ`ውን ኣይተመለሰን” ኣቶ በቀለ ገርባ","content":"ኣብ ቀረባ ካብ ቤት-ማእሰርቲ ዝተፈትሑን ኣብ`ዚ እዋን ኣብ`ዚ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝርከቡን ምኽትል ኣቦ-መንበር ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ኣቶ በቀለ ገርባ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ሕቶታት ሎሚ`ውን ኣይተመለሰን ኢሎም። ኣቶ በቀለ ገርባ ነዚ ርእይቶ ዝሃቡ፡ ሎሚ ኣብ ስትድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ቀሪቦም ኣብ ዝሃብዎ ቃለ-መጠይቅ’ዩ። ንሶም ኣተሓሒዞም፡ ሕቶና ሱር-ነቀል ዝኾነ ለውጢ ንምምጻእ`ዩ-ስለዚ መንግስቲ ሱር-ነቀል ዝኾነ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ኩነታት ከመቻችእ ኣለዎ ኢሎም። “ሕቶ ህዝቢ ንምምላስ ብውሕዱ`ኳ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ክልዓል ይግባእ” ዝበሉ ኣቶ በቀለ ገርባ፡ “ናብ ዝተወልድናሉ-ቦታ ከይድና`ኳ ቤተ-ሰብና ክንሓትት ኣይክኣልናን” ክብሉ ተዛሪቦም፡። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A2-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8B%98%E1%89%95%E1%88%A8%E1%89%A6-%E1%88%95%E1%89%B6%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%8B%8D%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%89%B0%E1%88%98%E1%88%88%E1%88%B0%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%B6-%E1%89%A0%E1%89%80%E1%88%88-%E1%8C%88%E1%88%AD%E1%89%A3\/4388623.html"} {"headline":"ለገደምቢ፡ ንኩባንያ ማዕድን ወርቂ ዝቃወሙ ነበርትን ሓይልታት ጸጥታን ብዝተፈጥረ ግጭት 5 ሰባት ሞይቶም","content":"ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ከተማ አዶላ ናይ ኣከባቢ ብኽለትን ጉድኣትን ኣስዒቡ’ዩ ብምባል ኣብ ልዕሊ ማዕድን ወርቂ ለገደምቢ ንተቃውሞ ዝወጹ ህዝብን ሓይልታት ጸጥታት ግጭት ብምፍጣሩ ሓሙሽተ ሰባት ተቀቲሎም ካልኦት ሸውዓት ድማ ቆሲሎም ክብሉ ምንጭታት ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም። ሎሚ ኣብታ ከተማ ሓይልታት ምኽልካል ምስፋሩን ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቃስ ከምዘየለ ተገሊጹ’ሎ። ኣብቲ ከባቢ ኣብ ወረዳ አጋዋዮ ከተማ አይድማ ህዝቢ ተመሳሳሊ ተቃውሞ ከካይድ ከምዝቀነየ ኩባንያ ሚድሮክ ክወጽእ ይሓትት ከምዘሎን ተፈሊጡ’ሎ። ብካልእ ዜና ሚንስትር ማዕድንን ተፈጥሮን ጋዝን ነዳዲን ንፈቃድ ስራሕ ኩባንያ ሚድሮክ ወርቂ ለገደምቢ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ከምዝአገዶ ተገሊጹ’ሎ። ትማሊ ሪፖርተር ድምጺ ኣሜሪካ ንምክትል ከንቲባ’ታ ከተማ ብዛዕባ ዝተፈጥረ ጎንጺ ኣብ ዘዘራርበሉ እዋን ድምጺ ተኹሲ ምስምዑ፡ እቶም ምክትል ከንቲባ’ውን ከምዘረጋገጹ ተሓቢሩ ኔሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%88%E1%8C%88%E1%8B%B0%E1%88%9D%E1%89%A2-%E1%8A%95%E1%8A%A9%E1%89%A3%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%88%9B%E1%8B%95%E1%8B%B5%E1%8A%95-%E1%8B%88%E1%88%AD%E1%89%82-%E1%8B%9D%E1%89%83%E1%8B%88%E1%88%99-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8C%B8%E1%8C%A5%E1%89%B3%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8D%88%E1%8C%A5%E1%88%A8-%E1%8C%8D%E1%8C%AD%E1%89%B5-5-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/4386872.html"} {"headline":"ዑደት ቀ\/ሚ አብይ ኣብ ኬንያ ዝነበረ ርክብ ክልቲኣን ሃገራት ክብ ንምባል ምኳኑ ተገሊጹ","content":"ዑደት ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ አብይ አሕመድ ኣብ ኬንያ ንዝጸንሓ ጽቡቅ ርክብ ክልቲኣን ሃገራት ናብ ክብ ዝበለ ብርኪ ንምስግጋር ዝተገብረ’ዩ ክብሉ ወሃቢ ቃል ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ገሊጾም። ንከተማ ሞያሌ ዓባይ ከተማ ንግዲን ኢንዳስትሪን ንምግባር ክልቲኦም መንግስታት ምስምምዖም’ውን ተገሊጹ። ወሃቢ ቃል ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ አቶ መለስ አለም ትማሊ ምሸት ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝበልዎ ዑደት ቀ\/ሚ አብይ አሕመድ፡ ኢትዮጵያ ምስ ኬንያ ንዘለዋ ርክብ ትኹረት ከምትህብ ንምርኣይን ቅድሚ ሎሚ ዝተገብሩ ስምምዓት ናብ ተግባር ዝትግበርሉን ህዝብታት ክልቲኣን ሃገራት ተረባሕቲ ምግባርን ንዝብል’ውን ንምርኣይ’ዩ ኢሎም። ርክብ ከልቲኣን ሃገራት ኣብቲ ዘይቅሱንን ብህውከት ዝፍለጥ ከባቢ ምብራቅ ኣፍሪቃ መርአያን ሰላምን ምድግጋፍን’ዩ ዝበሉ አቶ መለስ አለም ዕላማ’ቲ ዑደት ነቲ ዝነበረ ናብ ክብ ዝበለ ብርኪ ምስግጋር’ዩ ብምባል አብነታት ጠቂሶም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%8A%A0%E1%89%A5%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AC%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%A8-%E1%88%AD%E1%8A%AD%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%89%B2%E1%8A%A3%E1%8A%95-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%89%A3%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%8A%B3%E1%8A%91-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/4386800.html"} {"headline":"ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ጸቕጢ ለቓሕ የንጸላልወን ምሕላው ዓለምለኸ ማዕከን ገንዘብ ኣፍሊጡ","content":"ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዋላኳ ሓፈሻዊ ዕብየት ቁጠባ እንተርኣያ ብሰንኪ ከቢድ ልቓሕን ገፊሕ ኪሳራን ናብ ሓደጋ ጸቕጢ ዕዳ ገጸን ይኸዳለ`ለዋ ክብል ዓለምለኸ ማዕከን ገንዘብ IMF ገሊጹ። እዚ ድማ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርዝር ዕዳጋ ዓለምለኸ ልቓሕ ቀዳሞት ተሰሪዓን ይቕጽላ ኣብዘለዋሉ እዋን ኮይኑ ብተወሳኺ እዚ ልዑል ደረጃ ልቓሕ ብናይ ወጻኢ ሃገራት ባጤራን፡ ብጠለብ ስሱዓት ኣውፈርቲ ፍርያት ሕርሻ ይጋደድ ብምህላው’ዩ ክብል’ቲ ትካል ይገልጽ። እቲ ትካል ኣብ ከተማ አክራ ጋና ኣብዘካየዶ ዋዕላ ነቲ ትንበያ ዘውጽኦ ክኸውን ከሎ፡ መጠን ዝርገሓ ቁጠባ ብ3.4 ሚእታዊት ዕብየት ከምዝርኣየ እንተኾነ ናይቲ ኣህጉር ዝዓበየ ቁጠባ ዘለወን ደቡብ ኣፍሪቃን ናይጀርያን ትሑት ዕብየት ብምርኣየን ኣብ`ቲ ናይ`ቲ ዞባ ዕብየት ተጽዕኖ ከምዘሕደረ ይገልጽ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ 40 ሚእታዊት ናይተን ትሑት አታዊ ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ ዝያዳ ሓደጋ ልቓሕ የንጸላልወን ከምዘሎን ንመጠን እቲ ልቓሕ ንምምዕርራይ ድማ ዝያዳ ገንዘብ ዝሓትት ከምዝኾነን ይገልጽ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 7.5 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ንሃገራት ኣፍሪቃ ዝወጸ ኽከው ከሎ ኣብዚ ጀሚርናዮ ዘለና ዓመተ 2018 ድማ እቲ ልቓሕ ናብ 11 ቢልዮን ክብ ከምዝብል ተፈሊጡ’ሎ። ዝሓለፈ ዓመት ብፍላይ ኢትዮጵያን ዛምብያን ካብ ማእከላይ ሓደጋ ዕዳጋ ልቓሕ ናብ ከቢድ ሓደጋ ሸኸም ዕዳ ሰጊረን ከምዘለዋ ዝገለጸ IMF: ጸቕጢ ልቓሕ ዘንጸላለወን ዝበለን ካልኦት ሽዱሽተ ሃገራት፡ ቻድ፡ኤርትራ፡ሞዛምቢክ፡ኮንጎ፡ደቡብ ሱዳንን ዚምባብወ ከምዝኾና ሓቢሩ`ሎ። እቲ ትካል ብምውሳኽ ንትሕተ-ቅርጻን ማሕበራዊ ምዕባለታት እቲ ኣህጉር ልዑል ጠለብ ወፍሪ ከምዘልድይ ኣይሓብኣን።ስለዚ ኣህጉር ኣፍሪቃ ምስ ዘለዋ ትሑት ደረጃ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት ኣብ ዓለም ኣብ ተወሳኺ ልቓሕ ከይትጥሕል ሃገራት ብቑዕ ዝኾነ ርእሰ- ምርኮሳ የድልየን ኣሎ ክብል ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ IMF ይመክር።","category":"ቀርኒ ኣፍሪቃ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%88%95%E1%89%B0-%E1%88%B0%E1%88%83%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8C%B8%E1%89%95%E1%8C%A2-%E1%88%88%E1%89%93%E1%88%95-%E1%8B%A8%E1%8A%95%E1%8C%B8%E1%88%8B%E1%88%8D%E1%8B%88%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%88%8B%E1%8B%8D-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%E1%88%88%E1%8A%B8-%E1%88%9B%E1%8B%95%E1%8A%A8%E1%8A%95-%E1%8C%88%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/4386733.html"} {"headline":"ጂል ባይደን ምስ ኣባላት ማሕበረሰብ ማሳይ ኬንያ ተራኺበን፡ ተዘራሪበን","content":"ኣብ ኬንያ ብድርቂ ንዝተጠቕዐ ከባቢ ዝተዓዘባ ቀዳማዊት እመቤት ኣመሪካ ጂል ባይደን ሃገራት ስቓይ ህዝቢ ንምንካይ ምስ ኣመሪካ ሓቢረን ክሰርሓ ፀዊዐን። ንሰን ትማሊ ሰንበት ብደርቂ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ዝተጠቕዐ ኣፃምእ መሬት ኬንያ ብምጉዓዝ ገለ ደቂ ኣንስትዮ ማሕበረሰብን ማሳይ ቆልዑተንን ጥሪተንን በቲ ደርቂ ኣብ ከመይ ኩነታት ከምዝርከቡ ተዓዚበን። ገለ ከባቢታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓሙሽተ ፍሹላት ናይ ዝናብ ወቕቲ ስለዘሕለፉ ሓረስቶት ንዘራእቶምን እንስስኦምን ዝኸውን እኹል ማይ ኣይረኸቡን።ኣብ መጋቢት ዝጅምር ሻድሻይ ናይ ዝናብ ወቕቲ ተመሳሳሊ ወይ ዝኸፍአ ክኸውን ትፅቢት ይግበረሉ። ጂል ባይደን ኣብ መወዳእታ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ናይ ኣፍሪቃ መገሽአን ብዩኒሴፍን ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ዝሕገዝ ናይ ዎርልድ ቪዥንን ማእኸል ተዓዚበን። ብሕፅረት ኣመጋግባ ዝተጠቕዑ ደቀን ከመርምራ ምስ ዝመፃ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ጉጅለ ተዘራሪበን ኣለዋ። ","category":"ዓለም","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%82%E1%88%8D-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%8B%B0%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A0%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%88%9B%E1%88%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%AC%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%89%B0%E1%88%AB%E1%8A%BA%E1%89%A0%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%88%AB%E1%88%AA%E1%89%A0%E1%8A%95\/6981131.html"} {"headline":"ኣፈናዊ ገምጋም ምርጫ ናይጀሪያ፡ ዝተሓዋወሰ ውጽኢት የርኢ","content":"ቀዳም ብዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ ናይጀሪያ፡ ውጽኢት ምርጫ ክንገረሉ ኣብ ዝጀመረ እዋን፡ ብሕልፊ ኣብ ከተማ ሌጎስ ትጽቢት ዘይተገብሮ ውጽኢት ምምዝጋቡ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብቲ ቦታ ልኢኹ። ሃገራዊ ኮሚሽን ምርጫ ናይጀሪያ ኣብ ዝዘርግሖ ፈላሚ ውጽኢት ምርጫ፡ ገዛኢ ሰልፊ እታ ሃገር ይመርሕ ምህላዉ ሓቢሩ ኣሎ። እንተዀነ ኣብታ ቀንዲ ማእከል ቍጠባ ዝዀነት ሌጎስ፡ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ተወዳደሪ ፔተር ኦቢ ተዓዊቱ ኣሎ። እቲ ነዊሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ሃገራዊ ምርጫ ናይጀሪያ፡ ናይ ቀዳም ምውሃብ ድምጺ ብተዛማዲ ሰላም ምሕላፉ ተሓቢሩ ኣሎ። እንተዀነ ሰፊሕ ምብልሻው መድመጺ ማሺናትን ምድንጓያትን ብምግጣሙ ካብቶም ድምጾም ክህቡ ትጽቢት ዝተገብረሎም ውሑዳት ጥራይ’ዮም ተሳቲፎም። ነቲ ሕጂ ዕድመ ስልጣኑ ዝውድእ ዘሎ ፕረዚደንት መሓመዱ ቡሃሪ ንምትካእ 18 ተወዳደርቲ ቀሪቦም ኣለዉ። እንተዀነ እቶም ዓቢ ግምት ዝወሃቦም ሰለስተ ኰይኖም ካብ ገዛኢ ሰልፊ ቦላ ቲኑቡን ገስጋሲ ሰልፊ ኣቲኩ ኣቡብከር ክዀኑ እንከለዉ፡ ካብተን ቀንዲ ተወዳደርቲ ሰልፍታት ወጻኢ ዝዀነ ፔተር ኦቢ ካብ ሰልፊ ዕዮ ድማ እቲ ሳልሳይ’ዩ። ሃገራዊ ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር፡ ጠቕላላ ውጽኢት ምርጫ ንምፍላጥ ጌና ብምዃኑ፡ ህዝቢ ብትዕግስቲ ክጽበን ተወዳደርቲ ድማ ዘድሊ ምትሕባር ክግበሩን ይውጽዕ ኣሎ። ናይጀሪያ ሓያሎ ቍጠባዊን ማሕበራዊን ጸገማት ትቃለስ ምህላዋ ይሕበር። ቅድሚ’ዚ ምርጫ ናይ ባጤራ ለውጢ ብምግባራ ድማ ነቲ ተሃስዩ ዝጸንሐ ቍጠባ እታ ሃገር ናብ ዝገደደ ነውጺ ሸሚሙዎ ቀንዩ።","category":"ዓለም","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%8D%88%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%8B%8D%E1%8C%BD%E1%8A%A2%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%8A%93%E1%8B%AD%E1%8C%80%E1%88%AA%E1%8B%AB-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%93%E1%8B%8B%E1%8B%88%E1%88%B0-%E1%8B%8D%E1%8C%BD%E1%8A%A2%E1%89%B5-%E1%8B%A8%E1%88%AD%E1%8A%A2\/6980851.html"} {"headline":"ስደተኛታት ጽዒና ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ኣብ ዝተሰባበረት ጀልባ ካብ ዝነበሩ 62 ሰባት ሞይቶም","content":"ሓንቲ ስደተኛታት ዝሓዘት ብእንጨይቲ ዝተሰርሓት ጀልባ ትማሊ ሰንበት 26 ለካቲት 2023 ወጋሕታ ኣብ ወሰናስን ባሕሪ ኢጣልያ ቕድሚ ምብጽሓ ብዘጋጠመ ሓደጋ ድሕሪ ምብትታና ብዉሑዱ 62-ሰባት ሞይቶም ክብሉ ሰበ ስልጣን ኢጣልያ ኣፍሊጦም። ካብ መንጎ’ቶም ዝሞቱ ብዉሑዱ’ቶም 12 ቆልዑ’ዮም። ገለ ካብቲ ሬሳታት ኣብ ናይ መዘናግዒ ዞባ ካላባሪ ወሰናስን ባሕሪ ተገፉዑ ተረኺቡ’ሎ። ብሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ዝደሓኑን ካልኦት ሓምቢሶም ዝወፁን ሓዊሱ ብዉሑዱ 80-ሰባት ካብቲ ሓደጋ ድሒኖም’ለዉ። ዝተረኽበ ስእሊ ከም ዘርእዮ ዓብይ ፍንጫል’ታ ጀልባ ካልኦት ስብርባራትን ኣብ ጥቃ ወሰናስን መዘናግዒ ባሕሪ ስታካቱ ዲ ኩትሮ ከምዝተረኽበ ኣርእዩ’ሎ።ዓብየ ዘሕዝን ሓደጋ’ዩ ክብሉ ከንቱባ ክሮቶን ቨንቸንሶ ገሊፆም’ለዉ። ሓደ ካብቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝተዋፈረ’ዩ ተባሂሉ ተጠርጢሩ ብሰበ ስልጣን ኢጣልያ ተታሒዙ’ሎ። እታ ጀልባ ካብ 150-200 ሰባት ሒዛ ምንባራ ደሓንቲ ይግምቱ። ብዙሓት ካብቶም ስደተኛታት ካብ ፓኪስታን ኣፍጋንስታን ምኻኖም’ቲ ዝበፅሓና ዜና ይሕብር። እታ ጀልባ ቕድሚ ኣርባዕተ መዓልታት ካብ ቱርኪ ዝተበገሰት ምዃና'ውን ፖሊስ ኢጣልያ ሓቢሩ'ሎ።","category":"ዓለም","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8C%BD%E1%8B%92%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%88%E1%88%9B%E1%8C%8D%E1%88%9D-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%8A%A2%E1%8C%A3%E1%88%8D%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8C%80%E1%88%8D%E1%89%A3-\/6980791.html"} {"headline":"ፌስቲቫል ፊልም ቡርኪኖፋሶ፡ ኲናት ኣይዓገቶን","content":"ኣብ ኣፍሪቃ ካብቶም ዝዓበዩ ምዃኖም ዝንገረሎም ፌስቲቫል ፊልም ፌስፓኮ (FESPACO) ናይ ቡርኪናፋሶ፡ እታ ሃገር ብውሽጣዊ ሕንፍሽፍሽን ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣብ ትሕመሰሉ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ፌስቲቫል መርኣያ ጽንዓት ተርእዩ ክቕጽል ምዃኑ ኣዳለውቲ እቲ ፌስቲቫል ኣመልኪቶም። ቅልውላው ቡርኪኖፋስ ንኣስታት ክልተ ሚልዮን ዜጋታት ኣመዛቢሉ፡ ህይወት ዓሰርተታት ኣሽሓት ድማ ወሲዱ’ዩ።\\n\\n\\nእቲ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ክልተ ዓመት ዝካየድ ፌስቲቫል ፊልም፡ ጸጥታ እታ ሃገር ካብቲ ዝነበሮ ኣዝዩ ተጋዲዱ ደኣ ይዅን እምበር፡ መንፈስ እቲ ኣጋጣሚ ግን ከም ዘይተቐየረን ካብ 35 ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ልዕሊ 1300 ፊልምታት ንውድድር ምምዝጋበን ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ኣመልኪቱ። ካብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣስታት 1500 ሰራሕቲ ፊልምን ኣብቲ ዓውዲ ዝነጥፉ ሞያውያንን ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ፌስቲቫል ክሳተፉ ትጽቢት ይግበር።\\n\\nመንግስቲ ቡርኪናፋሶ ንተጋባእቲ እቲ ፌስቲቫል ውሕስነት ጸጥታ ክህብ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ኣሎ። ተዓዘብቲ ድማ ነታ ብውሽጣዊ ምክፍፋል እትሳቐ ዘላ ሃገር መለሳ ክዀናን ተዛማዲ ምርግጋእ ክፈጥረላን ተስፋ ይገብሩ።","category":"ዓለም","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8D%8C%E1%88%B5%E1%89%B2%E1%89%AB%E1%88%8D-%E1%8D%8A%E1%88%8D%E1%88%9D-%E1%89%A1%E1%88%AD%E1%8A%AA%E1%8A%96%E1%8D%8B%E1%88%B6-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8B%93%E1%8C%88%E1%89%B6%E1%8A%95\/6980661.html"} {"headline":"ቀዳመይቲ እመቤት ጂል ባይደን ኣብ ኬንያ ይበጽሓ","content":"ቀዳማዊት እመቤት ኣመሪካ ጂል ባይደን ሎሚ ዓርቢ ናብ ኬንያ ተጓዒዘን። ኣብ ናይ ናይሮቢ ፃኒሕተን ብዛዕባ ምምዕባል ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮ፣ ጉዳያት ህፃናትን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ብሓድሽ ብዝኸፍአ ይጋደድ ዘሎ ቅልውላውን ጥምየትን ኣቓልቦ ክወሃቦ ዘለወን ድልየት ገሊጸን ኣለዋ ። ትማሊ ሓሙስ እተን ቀዳማዊት እመቤት ምስ ቀዳማዊት እመቤት ናሚብያ ሞኒካ ጌይንጎስን ፕረዚደንት ሄግ ጌይንጎስን ብምኳን ኣብ ዝተዳለወ መንግስታዊ ስነስርዓት ምሳሕ ይዕምብብ ንዘሎ ዲሞክራሲ ንኢደን። ጂል ባይደን ንናምቢያዊያን ኣብ ዘስምዖኦ መደረ ኣመሪካን ናሚቢያን ተመሳሳሊ ፈተናታት ገጢሙወን ኣሎ ኢለን። \"ካብ ብድሆታት ለውጢ ኩነታት ኣየር ክሳብ ዘይምዕሩይ ቁጠባ፣ ምድላድል ዲሞክራስን ተመሳሳሊ ፈተናታት ኣለና፤ነዚ እውን እዩ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዋዕላ ኣመሪካን ኣፍሪቃን ዝተኻየደ፤ ኣገዳሲ ስለዝነበረ እዩ። ኣብዛ ወናኒት ድልዱል ዲሞክራሲ ዝኾነት ሃገር ምሳኹም ምርካበይ ኩርዓት ይስምዓኒ\" ኢለን። ኣብ ዓለም ኣብ ዘሎ ከቢድ ፀገማት ንምፍታሕ ድምፂ ኣፍሪቃዊያን ወሳኒ ምዃኑ ወሲኸን ገሊፀን። ጌይንጎስ ናይ ጂል ባይደን ምብፃሕ ‘’ሓያል’’ምልክት ምሕዝነት እዩ ኢለን። ቀዳማዊት እመቤት ጌይንጎስ ምስ ብዓል ቤተን ኣብ ኣኼባ መራሕቲ ኣመሪካን ኣፍሪቃን ክሳተፋ መፂአን ምስረኸብአን ንናሚቢያ ንምብፃሕ ምውሳነን ጂል ባይደን ሓቢረን። ","category":"ዓለም","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%80%E1%8B%B3%E1%88%98%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%8A%A5%E1%88%98%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%8C%82%E1%88%8D-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%8B%B0%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%AC%E1%8A%95%E1%8B%AB-%E1%8B%AD%E1%89%A0%E1%8C%BD%E1%88%93\/6977901.html"} {"headline":"ወራር ሩስያ ኣብ ዓመቱ፤ ሕ\/ሃ ሩስያ ክትወጽእ ይጽውዕ፡ ኤርትራ እትርከብን 7 ሃገራት ይቃወማ","content":"ሎሚ ዓርቢ፡ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ሓደ ዓመቱ ኣብ ዝመልኣሉ ዘሎ እዋን፡ ሓያሎ ደገፍቲ ዩክሬን ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዘኪሮም። ኣብ ብዙሓት ከተማታት በበይነን ሃገራት ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት፡ ንግዳያት ዝዝከር ሽምዓን ክገብሩ እንከለዉ፡ ኣመሪካ ድማ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተወሳኺ ናይ ሰደድ እገዳ ኣንቢራ ኣላ። ሩስያ ብወገና ሰራዊታ ኣብ ዩክሬን ወታሃደራዊ ዓወታት የመዝግብ ከም ዘሎ ሓቢራ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብምኽንያት ቀዳማይ ዓመት ወራር ሩስያ፡ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ሩስያ ካብ ዩክሬን ጠቕሊላ ክትወጽእ ዝእምም ውሳነ ኣብ ዘቕረበትሉ 141 ሃገራት ነቲ ውሳነ ክድግፋ እንከለዋ፡ ቤላሩስ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ሶርያ፡ ኤርትራ፡ ማሊ፡ ኒጋራጓን ሩስያን ተቓዊመንኦ። ነቲ ውሳነ ኢትዮጵያ እትርከበን ቻይና፡ ህንዲ፡ ፓኪስታንን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝሓወሰ 32 ሃገራት ብድምጺ ተዓቅቦ ሓሊፈንኦ ኣለዋ። እቲ ውሳነ ብሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ደኣ ይሕለፍ እምበር፡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ምስ ሰገረ፡ ሩስያ ንድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር ብዘለዋ መሰል ውዱቕ ክትገብሮ ብምዃና ተግባራዊ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። ","category":"ዓለም","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%88%E1%88%AB%E1%88%AD-%E1%88%A9%E1%88%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B1-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%88%A9%E1%88%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%AD%E1%89%B5%E1%8B%88%E1%8C%BD%E1%8A%A5-%E1%8B%AD%E1%8C%BD%E1%8B%8D%E1%8B%95-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A5%E1%89%B5%E1%88%AD%E1%8A%A8%E1%89%A5%E1%8A%95-7-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%89%83%E1%8B%88%E1%88%9B\/6977552.html"} {"headline":"ዳግማይ ቀብሪ ቶማስ ሳንካራ ሎሚ ይፍጸም ኣሎ","content":"ቅድሚ 34 ዓመታት ዝተቐትለን ካብቶም ብፍሉይ ዝጥቀሱ ሰውራዉያን መራሕቲ ኣፍሪቃን ምዃኑ ዝንገረሉ መራሒ ቡርኪናፋሶ ቶማስ ሳንካራ ሎሚ ሓሙስ ይፍጸም ኣሎ። ኣብቲ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ጽንብል ካልኣይ ቀብሪ ምስ ቶማስ ሳንካራ ዝተቐትሉ 12 መቓልስቱ’ውን ክፍጸም ምዃኑ ሚኒስተር መራኸቢታት እታ ሃገር ኣፍሊጦም። ስነ-ስርዓት ቀብሪ ሳንካራ፡ ኣብቲ ንኽብሩ ዝቖመ ሓወልቲ ክፍጸም ምዃኑ መንግስታውያን ምንጭታት ክገልጹ እንከለዉ፡ ስድራቤቱ ግን ኣብቲ ኣጋጣሚ ከም ዘይርከቡ ኣፍሊጦም ኣለዉ። “ኣፍሪቃዊ ቸ ጉቬራ” ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ዝነበረ ቶማስ ሳንካራ፡ ኣብ መበል 33 ዓመት ዕድሚኡ፡ ኣብ 1983 ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ፡ ካብቲ ሊበራላዊ ኣተሓሳስባ ዝፍለ ሱር-በተኻዊ ለውጢ የተኣታቱ ምንባሩ ይዝከር። ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ብመቓልስቱ ዝነበረን ነታ ሃገር ንዝሰዓቡ 27 ዓመታት፡ ብምልኪ ዝመርሐን፡ ብሌዝ ኮምፓዎረ ተቐቲሉ። ኣብ እዋን ምምሕዳር ኮምፓዎረ፡ ኣብ ቡርኪኖፋሶ፡ ስም ቶማስ ሳንካራ ምጥቃስ’ውን ኣይከኣለን ነይሩ። ","category":"ዓለም","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B3%E1%8C%8D%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%89%80%E1%89%A5%E1%88%AA-%E1%89%B6%E1%88%9B%E1%88%B5-%E1%88%B3%E1%8A%95%E1%8A%AB%E1%88%AB-%E1%88%8E%E1%88%9A-%E1%8B%AD%E1%8D%8D%E1%8C%B8%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%88%8E\/6975924.html"} {"headline":"ቻይና፤ ኣብ ዕደና ከሰል ንዝተደብዩ ሰራሕተኛታት ንምውጻእ መስርሕ ይቕጽል","content":"ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ቻይና፡ ነቶም ኣብ ዕደና ከሰል ንዝተደብዩ ሰራሕተኛታት ንምውጻእ ይሰርሑ ምህላዎም መንግስታዊ መራኸቢታት እታ ሃገር ኣፍሊጠን። ረቡዕ፡ ኣብ ውሽጢ መንጎሊያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ማዕድን ከሰል፡ ብዝሒ ዝሞቱ ኣርባዕተ ክበጽሑ እንከለዉ፡ ሽዱሽተ ድማ ቆሲሎም። ከም ሓበሬታ መደበር ቴለቪዥን ቻይና ግን ቁጽሪ ደሃይ ዘይብሎም ሰራሕተኛታት 49 በጺሑ'ሎ። ፕረዚደንት ሺ ዢንፒንግ ቅልጡፍ ናይ ህይወት ኣድሕን ስራሕ ክግበር ትእዛዝ ሂቦም ኣለዉ። እንተዀነ ሎሚ ሓሙስ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት እቲ ዝተፈተነ ናይ ህይወት ኣድሕን ስራሕ ከምቲ ዝደለ ከሳልጥ ከም ዘይከኣለ እቲ ዜና ይጠቅስ። ኣብ ቻይና፡ ዕደና ከሰል ካብቶም ኣዝዮም ዝዉተራት ስራሓት ኰይኖም፡ ብተደጋጋሚ ሓደጋታት ግን ህይወት ብዙሓት ሰራሕተኛታት ክወስድ ጸኒሑን ኣሎን።","category":"ዓለም","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%BB%E1%8B%AD%E1%8A%93-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%95%E1%8B%B0%E1%8A%93-%E1%8A%A8%E1%88%B0%E1%88%8D-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%B0%E1%89%A5%E1%8B%A9-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%8C%BB%E1%8A%A5-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%8B%AD%E1%89%95%E1%8C%BD%E1%88%8D\/6975774.html"} {"headline":"ኣመሪካ ብካልኣይ ሃገር ሓሊፎም ኣመሪካ ዝኣተው ሓተቲ ዑቕባ ዝድርት ውሳነ ተሕልፍ","content":"ብካልኣይ ሃገር ሓሊፎም ናብ ኣመሪካ ዝመጹ ስደተኛታት ኣብታ ዝሓልፉላ ሃገር ፈለማ ዑቁባ ከይሓተቱ እንተመጽዮም ኣብ ኣመሪካ ዑቁባ ምሃብ ከም ዝኽልክል ምምሕዳር ባይደን ትማሊ ሰሉስ ኣፍሊጡ። እዚ ነቲ ብሰንኪ ክልከላ ቤት ፍርዲ ከይተተግበረ ዝተረፈ ጻዕሪ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ'ውን ዘንጸባርቅ እዩ። ","category":"ዓለም","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%89%A5%E1%8A%AB%E1%88%8D%E1%8A%A3%E1%8B%AD-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%88%93%E1%88%8A%E1%8D%8E%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8B%9D%E1%8A%A3%E1%89%B0%E1%8B%8D-%E1%88%93%E1%89%B0%E1%89%B2-%E1%8B%91%E1%89%95%E1%89%A3-%E1%8B%9D%E1%8B%B5%E1%88%AD%E1%89%B5-%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%90-%E1%89%B0%E1%88%95%E1%88%8D%E1%8D%8D\/6975250.html"} {"headline":"ጂል ባይደን ኣብ ኣፍሪቃ ዑደት ይገብራ ኣለዋ","content":"ንኽልተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሓቘፈ ዑደት በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ባይደን ጂል ባይደን ሎሚ ብናሚብያ ይጅምር ኣሎ። ንውሕስነት ጸጥታ፡ ዝርዝር ናይቲ ጕዕዞን ዝረኽበኦም ሰባትን ኣዝዩ ውሱን’ዩ ዘሎ: ዑደት ጂል ባይደን ግን ኣብ ምሕያል ደቀንስትዮ፡ ሓገዝ ህጻናትን ምድንፋዕ ውሕስነት መግቢን ዘተኰረ ከም ዝኸውን ካብ ቤት ጽሕፈተን ዝወጸ መግለጺ የነጽር። ምምሕዳር ባይደን፡ ብሕልፊ ድሕሪ ወራር ሩስያ ንዩክሬን፡ ንመራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ብምኽሳብ ብዙሕ ንጥፈታት የካይድ ኣሎ። ሩስያ’ውን ብመገዲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቢላ ኣብተን ቍልፊ ሃገራት ዝበለተን ምብጻሕ ተካይድ ኣላ። ዑደት ጂል ባይደን እምበኣር ኣካል’ቲ ምምሕዳር ባይደን ነታ ኣህጉር ንምኽሳብ ዝገብሮ ዘሎ ስራሓት ገይሮም ዝርእዩዎ ብዙሓት’ዮም። ጂል ባይደን ቅድሚ ሕጂ ሓሙሽተ እዋን ንኣፍሪቃ በጺሐን ኣለዋ። ኣብ 2011 ንመዓስከር ስደተኛታት ዳዳብ ኣብ ዝበጽሓሉ፡ ንምሕጋዞም ዓቢ ጻውዒት ኣቕሪበን ምንባረን ይዝከር። ሕጂ’ውን ብተመሳሳሊ ናብቲ መዓስከር ክበጽሓ ትጽቢት ይግበር። በብእዋኑ በዓልትቤት ፕረዚደንት ኣመሪካ ንኣፍሪቃ በጺሐን’የን። ኣብ ዝቐደመ ጕዕዞአን ዝበዝሓ ጽቡቕ ተቐባልነት ክረኽባ እንከለዋ፡ መብዛሕትኡ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘተኰረ ዑደት’የን ክፍጽማ ጸኒሐን። ","category":"ዓለም","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%82%E1%88%8D-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%8B%B0%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8B%91%E1%8B%B0%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%89%A5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%88%88%E1%8B%8B\/6974011.html"} {"headline":"ጃፓን፡ ኣመሪካን ደቡብ ኮርያን ሓባራዊ ወታሃደራዊ ልምምድ የካይዳ","content":"ሎሚ ረቡዕ 22 ለካቲት 2023 ደቡብ ኮርያ፡ ጃፓንን ኣመሪካን፡ ኣብ ከባቢ ማያት ደቡብ ኮርያ ሓባራዊ ወታሃደራዊ ልምምድ ኣካዪደን። ሕብረት ሰለስቲኣን ኣካላት፡ ኣብ ባሕሪ ጃፓን’ውን ተመሳሳሊ ወታሃደራዊ ልምምድ ምክያዶን ተፈሊጡ ኣሎ። በበይኖም ወገናት እቲ ኪዳን፡ ብተናጸል ኣብ ዘውጽኡዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንሓድነት ሓድሕዶምን ማያዊ ግዝኣቶምን ዘትርር ምዃኑ ኣመልኪቶም። እዚ ሓባራዊ ወታሃደራዊ ልምምድ፡ ሰሜን ኮርያ ከም ግብረ-መልሲ ልምምድ ደቡብ-ኮርያን ኣመሪካን ሚሳይላት ድሕሪ ምትኳሳ ሰሙን ኣብ ዘይምልኣሉ’ዩ ዝኸውን ዘሎ። ሰሜን ኮርያ ነቲ ሓባራዊ ልምምድ ምትዅታኽን ዶብ-ምስጋርን ክትብል ገሊጻቶ'ላ።","category":"ዓለም","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%83%E1%8D%93%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB%E1%8A%95-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8A%AE%E1%88%AD%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%93%E1%89%A3%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8B%88%E1%89%B3%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%8D%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%B5-%E1%8B%A8%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8B%B3\/6973913.html"} {"headline":"ኢራን ንፖለቲከኛ ናይ ሞት ፍርዲ ትህብ፣ ጀርመን ክልተ ዲፕሎማት ትሰጕግ","content":"ቤት-ፍርዲ ኢራን፡ ኣብቲ ህይወት ብዙሓት ዝወሰደ መጥቃዕቲ መስጊድ 2008 ኢድ ነይሩዎ ንዝበሎ ሻምሺድ ሻርማህድ ናይ ሞት ብይን ሂቡ። ሰብ-መዚ ኢራን፡ ሻርማህድ መራሒ ወታሃደራዊ ጉጅለ ኰይኑ፡ ነቲ ኣብ 1979 ዝተዓልወ ንግስነት ኢራን ክመልስ ዝቃለስ ምዃኑ ይኸሱ። ናይ ኣመሪካ መንበሪ ፍቓድን ናይ ጀርመን ዜግነትን ዘለዎ ሻርማሃድ ብኣባላት ጸጥታ ኢራን ተጨውዩ’ዩ ናብታ ሃገር ተወሲዱ። ስድራቤቱ፡ ወሃብ-ቃል ናይ ተቓወምቲ ውድብ ደኣ’ምበር ኣቦ-መንበር ዘይምንባሩ ይምጕቱ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ጃምሺድ ሻርማህድ ዘይቅኑዕ ፍርዲ ተበይኑ ብምባል፡ ጀርመን ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ክልተ ዲፕሎማት ኢራን ሰጒጓ ኣላ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን፡ ሻርማህድ ብዘይ ግቡእ ምእሳሩን ኣብ ናጻ ፍርዲ ዘይምቕራቡን ክምጕት ጸኒሑ’ዩ። ሕጂ ድማ ንቤት ፍርዲ ኢራን ነቲ ዝሃቦ ውሳነ ክልውጥ ይጽውዕ ኣሎ። ሻርምህድ ይግባይ ናይ ምባል መሰል ኣለዎ።","category":"ዓለም","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A2%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%8D%96%E1%88%88%E1%89%B2%E1%8A%A8%E1%8A%9B-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%9E%E1%89%B5-%E1%8D%8D%E1%88%AD%E1%8B%B2-%E1%89%B5%E1%88%85%E1%89%A5\/6973904.html"} {"headline":"ኣብ ቱርኪ ዳግማይ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት 3 ሰባት ሞይቶም","content":"ድሕሪ`ቲ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ኣብ ዶብ ቱርክን ሶርያን ዘጋጠመን ኣስታት 45-ሽሕ ህይወት ዝሃለቐሉን ነውጺ መሬት፡ትማሊ ሰኑይ`ውን ደጊሙ፡ዛጊት ሰለስተ ሰባት ሰለስተ ምሟቶምን 200 ምቑሳሎምን ይግለጽ ኣሎ። ኣብዚ ዳሕራዋይ`ውን ብርክት ዝበሉ ህንጻታት ዓንዮም ኣለዉ፡ሰራሕተኛታት ድሕነት ድማ ዝተጸቕጡ ሰባት ኣብ ምንዳይ ተዋፊሮም ኣለዉ። እቲ ናይ 6.4 ዓቐን ሓይሊ ዝነበሮ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ናይ ቱርኪ ከተማ ደፊን ዘጋጠመ ኮይኑ፡እቲ ከባቢ በቲ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ዘጋጠመ`ውን ዝተሃርመ`ዩ። እቲ ሓዲሽ ምንቅጥቃጥ ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ሶርያ፡ ዮርዳኖስ፡ ሊባኖስ ከምኡ`ውን ግብጺ`ውን ከምዝተሰምዐ ይግለጽ ኣሎ። ትማሊ ሰኑይ ፕረዚደንት ቱርኪ ረጂፕ ጠይፕ ኤርደዋን ኣብ ኣንካራ ምስ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ተራኺቡ ኔሩ፡ ኣብቲ ርክብ፡ ኣመሪካ ንግዳያት ሓደጋ 100 ሚልየን ዶላር ተወሳኺ ረድኤት ከም ትገብር ጠቒሱ። ኤርደዋን ብወገኑ፡ መንግስቱ ኣብ ሓደጋ ዝሃሰዮ ግዝኣት ሓታይ ኣስታት 200-ሺሕ ሓደሽቲ ኣባይቲ ከምዝሃንጽ ኣፍሊጡ`ሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ቱርኪ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ናይ ዝሞቱ ሶርያውያን ሬሳታት ንኽቅበር ናብ ሃገሮም ሶርያ ተላኢኹ'ሎ። ብዝሒ'ቲ ሬሳታት ንከባቢያዊ መቃብራት ክሳብ ዝመልእ ገይሩዎ'ሎ። ሚልዮናት ሶርያውያን ብሰንኪ ኹናት ሕድሕድ ዑቁባ ንምንዳይ ሃገሮም ራሕሪሖም ናብ ቱርኪ ብዘጋጠመ'ዮም። ","category":"ዓለም","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B1%E1%88%AD%E1%8A%AA-%E1%8B%B3%E1%8C%8D%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%85%E1%8C%A5%E1%89%83%E1%8C%A5-%E1%88%98%E1%88%AC%E1%89%B5-3-%E1%88%B0%E1%89%A3%E1%89%B5-%E1%88%9E%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%88%9D\/6972398.html"} {"headline":"መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያን ቻይናን ንሓባራዊ ልምምድ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣትየን","content":"ደቡብ ኣፍሪቃ ንሃገራት ቻይናን ሩስያን ድሕሪ ክሊ ማያታ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ክገብራ ምፍቃዳ መራኽበን ኣብ ወሽመጥ ሪቻርድስ ትማሊ ምእታወን ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ብሰንኪ ኲናት ዩክሬን ዓለማዊ ወጥሪ ኣብ ዝሓየለሉን፡ ቻይና ነታ ብርእሳ ትመሓደር ታይዋን ንምጉባጥ ትንዕ ኣብ ትብለሉን እዋን ሓያላት ዓለም ኣብ ኣፍሪቃ ጽልዋታተን ከረጋግጻ ይደልያ ኣለዋ። ደቡብ ኣፍሪቃ ነቲ ልምምድ ምፍቃዳ ዘይንቡር ኣይኮነን ክትብል ከላ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኩሎም ካብ ኔቶን ሕብረት ኤውሮጳ ዝኾኑ ዲፕሎማት ግን ነቲ ተርእዮ ኮኒኖሞ`ለዉ። ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ኲናት ዩክሬን ናጻ ሕርያ ዝመረጸት ሃገር ኮይና ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ንወራር ሩስያ ንምኹናን ዝቐረበ ንድፈ-ውሳነ ሕቡራት ሃገራት`ውን ድምጸ ተዓቅቦ`ያ ኣድሚጻ። ","category":"ዓለም","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%AB%E1%8A%BD%E1%89%A5-%E1%88%93%E1%8B%AD%E1%88%8A-%E1%89%A3%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%88%A9%E1%88%B5%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%89%BB%E1%8B%AD%E1%8A%93%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%93%E1%89%A3%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%8D%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%B5-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%8B%A8%E1%8A%95\/6972385.html"} {"headline":"እስራኤላዊት ዲፕላማሰኛ ካብ ኣኼባ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ድሕሪ ምብራራ ምትፍናን ይዓቢ","content":"(ዋሽንግተን) እስራኤላዊት ዲፕሎማሰኛ፡ ካብ መጋብኣያ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ድሕሪ ምስጓጓ፡ ኣብ መንጎ እቲ ሕብረትን እስራኤልን ዘሎ ምትፍናን ከም ዝዓረገ ሮይተርስ ኣስፊሩ። ኣቦ-መንበር ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሙሳ ፈኪ ማሃማት፡ ንኣምባሳድር ሻሮን ባር-ሊ ናብቲ ኣኼባ ዝዓደመ ሰብ መርመራ ይካየደሉ ምህላዉ ንመራኸቢ ብዙሃን ሓቢሩ። እቲ ኣቦ-መንበር ዝዀነ እስራኤላዊ ዲፕሎማሰኛ ከም ዘይተዓደመ’ዩ ኣስሚሩ። ድሒሩ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መርመራታት ግን ናብቲ ዋዕላ ዝተዓደመ ኣምባሳድር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ኣለለኝ ኣድማሱ እምበር ሻሮን ባር-ሊ ዘይምንባራ ይሕበር ኣሎ። እስራኤል ኣብቲ ሕብረት ተራ ዘለወን ደቡብ ኣፍሪቃን ኣልጀሪያን እተን ቀንዲ ጠንቂ ምዃነን ትኸስስ። ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት እስራኤል፡ ኣምባሳድር ሻሮን ባር-ሊ ካብ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ናይ ተዓዛብነት ምሉእ ፍቓድ ከም ዝነበራ ሓቢሩ። ኣብቲ ጉዳይ ከም ቀንዲ ጠንቂ ዝተወስደት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ጠቕላሊ ቆንስል እስራኤል ኣብ ፕሪቶሪያ መጠንቀቕታ ከም ዝተዋህቦ ኣፍሊጣ ኣላ። ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እስራኤል ኣብ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ናይ ተዓዛብነት ቦታ ክህሉዋ ኣትሪራ’ያ እትቃወም። ኣልጀሪያ ነቲ ብእስራኤል ዝቐረበላ ክሲ ኣመልኪታ ዛጊት ምላሽ ኣይሃበትን--ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ። ደቡብ ኣፍሪቃ ግን ንነዊሕ እዋን ተደናጋጺት ህዝቢ ፍልስጤም ምዃና ይሕበር።","category":"ዓለም","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6970669.html"} {"headline":"ብራዚል፤ ብርቱዕ ዝናብ ዘኸተሎ ሃሚ መሬት 36 ዜጋታት ይቐትል","content":"(ዋሽንግተን) ኣብ ብራዚል ብሰንበት ብዝሃረመ ብርቱዕ ዝናብን ዝሰዓበ ምህማም መሬትን 36 ዜጋታት ሞይቶም ኣማኢት ድማ ብዘይ መንበሪ ምትራፎም ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ። እቲ ትማሊ ሰንበት ዘጋጠመ ሓደጋ ንርእሰ-ከተማ ሳኦ ፓውሎ ኣብ ዘዳውባ ከተማታት’ዩ ኣጓኒፉ። ከም ሳዕቤኑ ድማ እታ ርእሰ-ከተማን ዝቐጸላ ካልኦት ተወሰኽቲ ሽዱሽተ ከተማታት ናይ ህጹጽ ሓደጋ ኣዊጀን ኣለዋ። እቲ ብርቱዕ ዝናብ ክቕጽል ትጽቢት ይግበሮ--ከም ሓበሬታ ሜትሮሎጂ እታ ሃገር። ንሱ ድማ ንስራሓት ህይወት ኣድሕን ኣሸጋሪ ገይሩዎ ምህላዉ ሰብ-መዚ ይጠቕሱ።","category":"ዓለም","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6970643.html"} {"headline":"ሬሳ ተጻዋታይ ክርስቲያን ኣትሱ ጋና ኣትዩ፣ ምኽትል ፕረዚደንት እታ ሃገር ተቐቢሉዎ","content":"(ዋሽንግተን) ኣብ ቱርኪ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ድሕሪ ምማቱ፡ ሬሳ ጋናዊ ተጻዋታይ ክርስቲያን ኣትሱ ትማሊ ሰንበት ናብ ጋና ኣትዩ። ሬሳ’ቲ ነዊሕ እዋን ደሃይ ኣጥፊኡ ዝጸንሐ ተጻዋታይ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኮቶኮ ኣክራ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ምኽትል ፕረዚደንት እታ ሃገር ማሃማዱ ባዉሚያ ዝርከቦም ሓያሎ ደገፍቱ ከም ዝተቐበሉዎ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ። እቲ ሬሳ ብወታሃደራዊ ማርሽ ተዓጂቡ ካብ ማዕርፎ ነፈርቲ ወጺኡ። ወዲ 31 ዓመት ኣትሱ፡ ካብ 6 ለካቲት ኣትሒዙ ደሃይ ኣይነበሮን። ኣብ መወዳእታ ግን ኣብቲ ዝነብረሉ ከተማ ሃታይ ኣብ ፍርስራስ ገዛኡ፡ ሬሳኡ ተረኺቡ። ኣትሱ፡ ሰዓታት ቅድሚ’ቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ካብቲ ቦታ ክወጽእ መደብ እኳ እንተ ነበሮ፡ እንተዀነ ንጋንታኡ ኣዐዋቲት ሸቶ ድሕሪ ምምዝጋቡ፡ ኣብ መወዳእታ ሰዓታት ጻንሖቱ ከናውሕ ምውሳኑ ኣካያዲ ስራሕ እታ ክለብ ሓቢሩ። ኣትሱ፡ ንሃገራዊት ጋንታ ጋና፡ 65 ዋንጫታት ኣብ ምዕታር ዘበርከተ ኰይኑ፡ ኣብ መወዳእታ ነታ ሃገራዊት ጋንታ ወኪሉ ዝተጻወቶ፡ 2019’ዩ ነይሩ። ኣብ ቱርኪ ብዝወደቐ 7.8 ሬክስተር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ህይወት 45,000 ዜጋታት እታ ሃገር ወሲዱ ንሚልዮናት ድማ ብዘይ መንበሪ ሓዲጉ’ዩ።","category":"ዓለም","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/6970507.html"} {"headline":"ኣብ ኒውዝላንድ ብዘጋጠመ ህቦብላ ቁጽሪ ዝሞቱ ክውስኽ ከምዝኽእል ተገሊጹ","content":"ቀዳማይ ሚንስተር ኒውዚላንድ ክሪስ ሂፕኪንስ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ህቦቡላ ብዝሒ ዝሞቱ ሰባት ይውስኽ ከምዘሎ ገሊፆም። ብሰንኪ ሳይክሎን ጋብሪአል ዝጽዋዕ ህቦቡላ ዝሞቱ ሰባት ሎሚ ዓርቢ ሸሞንተ ከምዝበፅሐን ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልታት እቲ ህቦቡላ ልዕሊ 4,500 ሰባት ድማ ሃለዋቶም ኣይፍለጥን። ቀዳማይ ሚንስተር ኒውዚላንድ ክሪስ ሂፕኪንስ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ሳይክሎን ጋብሪኤል ሒዙዎ ብዝመፀ ዕንወት ቅድሚ ሎሚ ዓሰርተታት ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ እዩ። ሓያል ውሑጅ፣ምንሽሕታት መሬትን ምቁራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ኣስዒቡ ኢሎም። ንሶም ወሲኾም ቁፅሪ ናይ ዝሞቱ ሰባት ክውስኽ ተኽእሎ ከምዘሎ ገሊጾም: በዚ ሓደጋ ዝተጎድኡ ናብ ንቡር ህይወቶም ክምለሱ ብዙሕ ስራሕ ይፅበየና ኣሎ ኢሎም። ናይ ኣውስትራሊያ ጉጅለ ግብረ መልሲ ሓደጋ ኣብቲ ስርሒት ንምሕጋዝ ሎሚ ዓርቢ ኒው ዚላንድ ኣትዮም ኣለው። ","category":"ዓለም","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%92%E1%8B%8D%E1%8B%9D%E1%88%8B%E1%8A%95%E1%8B%B5-%E1%89%A5%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%88%85%E1%89%A6%E1%89%A5%E1%88%8B-%E1%89%81%E1%8C%BD%E1%88%AA-%E1%8B%9D%E1%88%9E%E1%89%B1-%E1%8A%AD%E1%8B%8D%E1%88%B5%E1%8A%BD-%E1%8A%A8%E1%88%9D%E1%8B%9D%E1%8A%BD%E1%8A%A5%E1%88%8D-%E1%89%B0%E1%8C%88%E1%88%8A%E1%8C%B9\/6967754.html"} {"headline":"ናይጀርያ፤ ብሕጽረት ገንዘብ ዝተሸገሩ ዜጋታት ባንክታት የጥቅዑ","content":"25 ለካቲት 2023 ሃገራዊ ምርጫ ንምክያድ ትዳሎ ዘላ ናይጀሪያ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ለውጢ ባጤራ ብምግባራ ሕጽረት ገንዘብ ኣስዒቡ ኣሎ። ነዚ ዝተራእየ ጸገም፡ ህዝቢ ባንክታትን መውጽኢ ገንዘብ ማሺናትን ብምጥቃዕ ቍጠዐኦም የርእዩ ኣለዉ። ኣብ ቀረባ እዋን፡ ናይጀሪያ ብዝተኣታተወቶ ናይ ባጤራ ለውጢ፡ ሕጽረት ገንዘብ ኣጋጢሙ ኣሎ። ባንክታትን መኽዘን ገንዘብ ማሺናት (ATM) ዝተወሰነ መጠን ስለ ዘለወን፡ ዓማዊል ክንዲ ድላዮም ገንዘብ ክረኽቡ ይጽገሙ ኣለዉ። እዚ ነዊሕ መስርዕ፡ ቍጥዐን ምትእጕጓል ስራሕን ስለ ዘኸተለ፡ በዚ ዝሓረቑ ዓማዊል፡ ብረቡዕ ባንክታትን ማሺናትን ገንዘብን ክሰብሩ ተራእዮም። ኣብ ሰለስተ ከተማታት ክፍለ-ሃገር ደልታ፡ ዓማዊል ባንክ ከንድዱ ብምፍታኖም፡ ፖሊስ ንገለ መንእሰያት ኣሲሩ። እቲ ተግባራት፡ ኲንዮ’ቲ ዘሎ ናይ ሕጽረት ገንዘብን ነድሪ፡ ብፖለቲካውያን ውድባት ዝተሳወረ ምዃኑ ፖሊስ ይኸስስ። ኣብቲ ምርጫ ዝሳተፉ ዘለዉ ክልተ ዓበይቲ ፖለቲካውያን ውድባት ጠንቂ እቲ ዝተፈጥረ ዕግርግርን መጥቃዕታት ምዃኑ ፖሊስ ይጠቅስ። እቶም ዝተወንጀሉ ሰልፍታት ግብረ-መልሲ ኣይሃቡን። ገለ ትካላት ንግዲ ነቲ ኣብ ዕዳጋ ዝጸንሐ’ሞ ገና ኣገልግሎቱ ዘይወድአ ባጤራ ናይራ ምቕባል ስለ ዝኣበዩ’ውን ነቲ ዘሎ ነድሪ መሊሱ ኣጕሂሩዎ’ዩ። ገለ ኣመሓደርቲ ክፍለ-ሃገራት ናይጀሪያ፡ እኹል መጠን ገንዘብ ክሳብ ዝረኽቡ፡ ባንክ በቲ ሓድሽን ዝጸንሐን ባጤራታት ናይራ ክጥቀም ተማሕጺኖምን ጉዳዮም ናብ ቤት ፍርዲ የሕሊፎምን። ዝመጽአ ለውጢ ግን ኣይነበረን። ማእከላይ ባንክ ናይጀሪያ፡ ናይ ባጤራ ለውጢ ከተኣታቱን እቶም ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ድማ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት ክቕየርን መምርሒ ድሕሪ ምውጻኡ፡ ሰፋሕቲ ምዕዝምዛማት ኣስዒቡ። ሓያሎ ኣብ ንኣሽቱ ንግዲ ተዋፊሮም ዝሰርሑ ዜጋታት ባንክ ብዙሕ ስለ ዘይጥቀሙ ካብቶም ቀንዲ ዝተሃስዩ ጽላታት’ዮም። ባንክ ናይጀሪያ ነቲ ስጕምቲ ክወስድ ዝደረኾ ምኽንያት ስኑዕ ባጤራታት ንምጉዳል’ዩ። ኣብ ዝተናውሐ ድማ ናይ ገንዘብ ባጤራ ንምጥፋእ መደብ ኣለዎ። ","category":"ዓለም","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%93%E1%8B%AD%E1%8C%80%E1%88%AD%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%95%E1%8C%BD%E1%88%A8%E1%89%B5-%E1%8C%88%E1%8A%95%E1%8B%98%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%B8%E1%8C%88%E1%88%A9-%E1%8B%9C%E1%8C%8B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A3%E1%8A%95%E1%8A%AD%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%A8%E1%8C%A5%E1%89%85%E1%8B%91\/6967653.html"} {"headline":"ኣብ ደቡብ ሱዳን ህውከት ምውሳኹ ሕ\/ሃ ሓቢሩ","content":"ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ መወዳእታ እዚ ዝሓለፈ ዓመት ኣብታ ሃገር ህውከት ብዝለዓለ ደረጃ ከምዝወሰኸ ወሃቢ-ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቴፋን ዱጃሪክ ገሊፆም። ስቴፋን ዱጃሪክ ‘’እቲ ህውከት ብዝዓበየ ዘጋጠመሉ ኣብ ክፍለ ግዝታት ኣፐር ናይል፣ ዋራፕን ጆንግለይን እዩ’’ ኢሎም።እቲ ልኡኽ ዓቃቢ ሰላም ኣብ ናይ ርብዒ ዓመት ፀብፃቡ ብዝሒ ዝተጎድኡ ስቪላት ኣብ 2021 ምስ ዝነበረ ክነፃፀር ከሎ 87% ወሲኹ ኢሎም። እቶም ወሃቢ ቃል እቲ ዘሰንብድ ህውከት:መጭወይቲ ብ464%: ምስ ግጭት ዝተተሓሐዘ ፆታዊ ዓመፅ ድማ ብ360% እዩ ወሲኹ ኢሎም ። ብኣገላልፃ ዱጃሪክ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ገዲዱ ዝቐፀለ ህውከት ኣብ ምቁፅፃርን ሕግታት ዓለምለኸ ሰብኣዊ መሰላትን ሰብኣውነትን መሰረት ብምግባር ንስቪላት ሓለዋ ኣብ ምሃብን ቕልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ ኢሎም። እቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓቃቢ ሰላም ኣብ ርእሲ ሓለዋታት ምግባርን ህውከት ኣብ ዝሓየለሎም ቦታታት ግዚያዊ ናይ ስርሒት ኖቕጣታት ምምስራትን ሰላምን ልዝብን ክካየድ ይሰርሕ ከምዘሎ ወሲኾም ገሊፆም። ","category":"ዓለም","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A5-%E1%88%B1%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%88%85%E1%8B%8D%E1%8A%A8%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%B3%E1%8A%B9-%E1%88%95-%E1%88%83-%E1%88%93%E1%89%A2%E1%88%A9\/6967617.html"} {"headline":"ካብ ንእሽቶ ክሽነ ናብ ዓቢ ውድድር መግቢ","content":"ኣልጋነሽ ሚኪኤል ብሞያኣ ነርስ ደኣ ትዅን እምበር፡ ሕጂ ግን ኣብ ክፍለ-ሃገር ቨርሞንት ኣብ ምድላው ቀረባት መግቢ’ያ እትሰርሕ። ምስ ካልኦት ወሃብቲ ኣገልግሎት ብምልፋን መግቢ እተዳሉ ኣልጋነሽ ንብሉጻት ሰራሕቲ መግቢ ኣመሪካ ዝወሃብ ሽልማት JAMES BEAR AWARD ተረቚሓስ ናብ ፍርቂ ፍጻመ በጺሓ ኣላ። ብዛዕባ ሞያኣ ንመደብ ኤርትራውያን ኣብ ኣመሪካ ኣዘራሪብናያ ኣለና።","category":"ኤርትራውያን ኣብ ኣመሪካ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%BD%E1%89%B6-%E1%8A%AD%E1%88%BD%E1%8A%90-%E1%8A%93%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%89%A2-%E1%8B%8D%E1%8C%85%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2\/6972786.html"} {"headline":"“መኣዛ”፤ ፈተነ ንለውጢ ሃልኪ ኣሰራርሓ መግቢ","content":"“መኣዛ” ዝተሰምየ ዕሹግ ስልሲ፡ ኣብቲ ተዘውቲሩ ዝስራሕ መግብታት፡ ግዜን ጕልበትን ንምቝጣብ ዝዓለመ’ዩ። ብዛዕባ’ዛ ድሮ ኣብ ልዕሊ 300 ድኳናትን ኣመሪካን ካናዳን ተዘርጊሑ ዘሎ ድሉው ስልሲ፡ መብርሂ ንኽህባና ሓደ ካብ ኣባላት እታ ዘርጋሒት ትካል ሙሴ ሓይለኣብ ተኽለየሱስን ዓዲምናዮ ኣሎና። ","category":"ኤርትራውያን ኣብ ኣመሪካ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8A%A0%E1%8B%9B-%E1%8D%88%E1%89%B0%E1%8A%90-%E1%8A%95%E1%88%88%E1%8B%8D%E1%8C%A2-%E1%88%83%E1%88%8D%E1%8A%AA-%E1%8A%A3%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%88%AD%E1%88%93-%E1%88%98%E1%8C%8D%E1%89%A2\/6941928.html"} {"headline":"ምስጓግ ሰራሕተኛታት ትካላት ቴክኖሎጂ ክሳብ ክንደይ ይጸሉ?","content":"ኣብ ቀረባ እዋን ዓበይቲ ትካላት ሓበሬታ ቴክኖሎጂ ከም ፈይቡክ፡ ሴልፎርስ፡ ጉግል፡ ትዊተርን ኣማዞን ብዙሓት ሰራሕተኛታተን የፋነዋ ኣለዋ። ኣብ ቀረባ እዋን ጽላት ሓበሬታ ቴክኖሎጂ እቲ ዝበዝሐ ክፍሊትን ቅልጡፍ ዕብየትን ዝርኣዮ ዝነበረ ከም ምዃኑ መጠን፡ ሕጂ ክፈጥሮ ዝኽእል ሃጓፍት ንምዝርራብ ንመሃንድስ ኮዀብ ጐይትኦም ኣዘራሪብናዮ ኣሎና። ኣብ ትካል Risk Management Solutions ላዕለዋይ መሃንድስ ንዝዀነ ኮዀብ፡ ንመደብ ኤርትራውያን ኣብ ኣመሪካ ኣዘራሪብናዮም።","category":"ኤርትራውያን ኣብ ኣመሪካ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8C%93%E1%8C%8D-%E1%88%B0%E1%88%AB%E1%88%95%E1%89%B0%E1%8A%9B%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%8A%AB%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%89%B4%E1%8A%AD%E1%8A%96%E1%88%8E%E1%8C%82-%E1%8A%AD%E1%88%B3%E1%89%A5-%E1%8A%AD%E1%8A%95%E1%8B%B0%E1%8B%AD-%E1%8B%AD%E1%8C%B8%E1%88%89-\/6922264.html"} {"headline":"ጦብላሕታን ኣከባብራን ድርብ በዓላት ኣብ ስደት","content":"ኣብ ኣመሪካ ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ክሳብ ወርሒ ጥሪ ተደራራቢ በዓላት ይኽበር። ብዘይካ እቲ ልሙድ ከም መዓልቲ ምስጋና፡ ልደት፡ ሓዲሽ ዓመት ዝበሉ በዓላት መብዛሕቲኦም ኤርትራውያን ክርስትያን ንኣቆጻጽራ ግእዝ ተኸቲሎም ንበዓል ልደት የኽብሩ። ብዛዕባ እዚ ተደራራቢ በዓላት ጦብላሕትአን ከካፍላና ንኣርባዕተ ኣዴታት ኣዘራሪብና ኣለና። ወ\/ሮ ሙሉ ተኽለሚካኤልን ወ\/ሮ ኣለም ዑቕባሚካኤልን ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክፍለ ግዝኣት መሪላንድ ክኾና ኸለዋ፥ ኤልሳ ሃብተ ካብ ዋሺንግተን ዲሲ፥ወ\/ሮ ኣልማዝ ኣርኣያ ድማ ካብ ሻርለት ኖርዝ ካሮላይና እየን።","category":"ኤርትራውያን ኣብ ኣመሪካ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%A6%E1%89%A5%E1%88%8B%E1%88%95%E1%89%B3%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8A%A8%E1%89%A3%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%8A%95-%E1%8B%B5%E1%88%AD%E1%89%A5-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%B5%E1%8B%B0%E1%89%B5\/6902468.html"} {"headline":"ዕላል ምስ ፋርማሲስት ተስፋይ መንግስ","content":"ኣብ ኣስመራ ወናኒ ፋርማሲ ካተድራለ ዝነበረ፡ ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ ድማ ክልተ ዓበይቲ ልበ-ወለድ መጻሕፍቲ ድሕሪ ምድራስ፡ ፋርማሲስት ተስፋይ መንግስ ዝጸሓፈን መጻሕፍቲ ፡ “ህልኽ ተስፎኦምን ሃብቶምን “ ከምኡ ድማ “ሕድሪ መድህንን ኣልጋነሽን “ ዝብላ ፡ነብስ ወከፈን 500 ገጻት ዝሓዛ ኮይነን ናብ እንግሊዝኛ`ውን ተርጉሙወን ኣሎ። ምኽንያት መተርጎሚኡ ክገልጽ ከሎ ድማ “እቶም ኣብ ዳያስፖራ ዝተወልዱ ቆልዑ፡ ኣብ ዝመጽእ እዋን፡ ካበይ መጺና ኢሎም ክሓቱ ከለዉ ከም መወከሲ ክኾኖም ብምባል`የ” ይብል።","category":"ኤርትራውያን ኣብ ኣመሪካ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%95%E1%88%8B%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8D%8B%E1%88%AD%E1%88%9B%E1%88%B2%E1%88%B5%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%88%B5%E1%8D%8B%E1%8B%AD-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5\/6892056.html"} {"headline":"ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣትላንታ","content":"ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣትላንታ ንመኽሰብ ዘይቆመ ምዝጉብ ማሕበር ኰይኑ፡ ንሓደስቲ መጻእትን ዝጸንሑ ነበርቲን በበይኑ ሓገዛት ኣብ ምግባር ዝርከብ ምትእኽኻብ’ዩ። እዚ ማሕበረኮም ድሮ ንሓያሎ ካብ ወገናቱ ሓጊዙ ኣሎ፡ ብሕጂ’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ስራሕ ንምስራሕ ይርከብ። ብዛዕባ’ዚ መብርሂ ንኽህበና ንሓደ ካብቶም ኣካየድቲ እቲ ማሕበረኮም ዝዀነ ኣስገዶም ተመልሶ ኣዘራሪብናዮ ኣለና። ","category":"ኤርትራውያን ኣብ ኣመሪካ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9B%E1%88%95%E1%89%A0%E1%88%A8%E1%8A%AE%E1%88%9D-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%B5%E1%88%8B%E1%89%B5\/6875027.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ወናኒት ካፈ ኣውሮራ ወ\/ሮ ደሃብ በየነ","content":"ዋሽንግተን — ካፈ ኣውሮራ ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ DMV ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ዋሽንግታን ዲሲ ኣብ ኣሌክሳንድርያ ዝርከብ ብኤርትራውያን ኣመሪካውያን ሰብ ሓዳር ወ\/ሮ ደሃብ በየነን ኣቶ ዮሴፍ ተስፋይን ዝውነን'ዩ። ካፈ ኣውሮራ ዝተፈላለዩ ባህላዊ ምግብታት የቕርብ። ንጽልዋ ኮቪድ19 ኣብ ንጥፈታት ንግዲ ኣብያተ ምግብን ካልእን ንኽተካፍለና ንወ\/ሮ ደሃብ ጋሻ መደብ ኤርትራውያን ኣሜሪካውያን ጌርና ዓዲምናያ'ለና። ምንያ ኣፈወርቂ ጥለብ","category":"ኤርትራውያን ኣብ ኣመሪካ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%88%E1%8A%93%E1%8A%92%E1%89%B5-%E1%8A%AB%E1%8D%88-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%88%AE%E1%88%AB-%E1%8B%88-%E1%88%AE-%E1%8B%B0%E1%88%83%E1%89%A5-%E1%89%A0%E1%8B%A8%E1%8A%90\/6855199.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ዶ\/ር ረዘነ መድሓኒ","content":"ዶ\/ር ረዘነ መድሓኒ፡ ኣብ 1976 ማለት ቅድሚ 46 ዓመታት ናብዚ ናብ ኣመሪካ ንትምህርቲ ዝመጸን፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ፡ ሓላፊ ተክኒክ ምምሕዳር ከተማ ኣስመራ ኮይኑ ዝሰርሐን'ዩ። ብሞይኡ ኢንጅነር ረዘነ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ምምሕዳር ከተማ ዋሺንግተን ዲሲ፡ ላዕላዋይ ኢንጅነር ምቁፅጻር ትግባረ ፕሮጀክትታት ትሕቲ ቕርጺ ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ።","category":"ኤርትራውያን ኣብ ኣመሪካ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8B%B6-%E1%88%AD-%E1%88%A8%E1%8B%98%E1%8A%90-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%93%E1%8A%92\/6805048.html"} {"headline":"የጊ- ተሸላሚ ስነ-ጥበበኛ ኣማሓዳሪ ክፍለ-ሃገር ዋሺንግተን","content":"ቀባኢን ቀራጺን ይግዛው ሚኪኤል (የጊ) ናይ 2022 ብኣማሓዳሪ ክፍለ-ሃገር ዋሺንግተን ዝወሃብ ፍሉይ ክብሪ ተቐቢሉ ኣሎ። ንኣስታት 20 ዓመት ኣብ ሲያትል ኣመሪካ ዝተቐመጠ የጊ፡ ኣብታ ከተማን ክፍለ-ሃገርን በበይኑ ምርኢታት ስእሊ ኣብ ምውዳብ፡ ህዝባዊ ስነ-ጥበባዊ ስራሓት ኣብ ምቕራብን ካልእ ንጥፈታት ክሰርሕ ጸኒሑ። ነዚ ረኺቡዎ ዘሎ ፍሉይ ክብሪ ኣመልኪቱ ኣዘራሪብናዮ ኣለና።","category":"ኤርትራውያን ኣብ ኣመሪካ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%A8%E1%8C%8A--%E1%89%B0%E1%88%B8%E1%88%8B%E1%88%9A-%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%8C%A5%E1%89%A0%E1%89%A0%E1%8A%9B-%E1%8A%A3%E1%88%9B%E1%88%93%E1%8B%B3%E1%88%AA-%E1%8A%AD%E1%8D%8D%E1%88%88-%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AD-%E1%8B%8B%E1%88%BA%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%89%B0%E1%8A%95\/6765666.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ኣወሃሃዲ ምርኢት ኩዕሶ ስኪዒት ኤርትራዊያን","content":"ካብ ነሓሰ 5 ክሳብ 7 ,2022 ኣብ ሴንት ፖል ሚነሶታ ዝተኻየደ ፈላማይ ምርኢት ኩዕሶ ስኪዒት ኤርትራዊያን ብኤርትራዊያን ኣመሪካዊያን ኣሰልጠንቲ ኩዕሶ ስኪዒት ኣብ ዝተፈላለየ ኮሌጃት ኣመሪካ ዝተዳለወ ኮይኑ ኣብቲ ስፖርት ዝነጥፉ መንእሰያትን ቆልዑን ነቲ ስፖርት ተጠቒሞም ዝበለጸ ዕድላት'ቲ ስፖርትን ትምህርቲን ክረኽቡ ዝዓለመ ምዃኑ ዋና ኣሰናዳኢ'ቲ መደብ ኣሌክሳንደር ልኡል ስዩም ይገልጽ። ","category":"ኤርትራውያን ኣብ ኣመሪካ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%88%E1%88%83%E1%88%83%E1%8B%B2-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%A2%E1%89%B5-%E1%8A%A9%E1%8B%95%E1%88%B6-%E1%88%B5%E1%8A%AA%E1%8B%92%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-\/6713575.html"} {"headline":"ትግራይ ደሞክራሲያዊ ፓርቲ “ውዕል ፕሪቶሪያ ብህወሓት ይፈርስ ኣሎ”","content":"ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያ፡ ብሌ\/ጀነራል ታደሰ ወረደ እትምራሕ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ እተቝም ኮሚተ ምምስራታ ኣብ እዋኑ ተሓቢሩ’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ፡ ንርእይቶን ቅሬታታትን ሰለስተ ተቓወምቲ ውድባትን ግብረ-መልሲ እቲ ክልልን ምቕራብናይዝከር። ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ፡ ህወሓት ንውዕል ፕሪቶሪያ የፍርሶ ኣሎ ብምባል ይኸስስ። ነዚ ብዝምልከት ንፖለቲካዊ ሓላፊ'ቲ ውድብ ኣቶ ተሻለ ንጉሰ ኣዘራሪብናዮም ኣለና። ቅድም ክብል ኣይተ ጌታቸው ረዳ ከበድቲ ብረታት፡ ነቲ ዘተ ሰላም ንምቅልጣፍ፡ ቅድሚ ተባሂሉ ዝነበረ ዕለት ከም ዝረከቡ ገሊጾም ነይሮም። ኣቶ ረዳኢ ሓየሎም ኣብ ዝሓለፈ እዋን በቶም ተቓወምቲ ውድባት ንዝቐረበ ክሲ ኣብ ዝመለሱሉ እዋን፡ ኣብቲ ጉዳይ መራሒ ኣካል፡ ውድብ ህወሓትን ሰራዊት ትግራይን ዝሓዘለ ኰይኑ ንዅላቶም ሰብ-እጀታ’ውን ዘሳትፍ ምዃኑ ምግላጾም ይዝከር።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8B%B0%E1%88%9E%E1%8A%AD%E1%88%AB%E1%88%B2%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%8D%E1%8B%95%E1%88%8D-%E1%8D%95%E1%88%AA%E1%89%B6%E1%88%AA%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%88%85%E1%8B%88%E1%88%93%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8D%88%E1%88%AD%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%88%8E-\/6978004.html"} {"headline":"ትንታነ፤ ህሉዊ ኵነታት ክልል ትግራይን ተኽእሎታት ሓድሽ መሪሕነትን","content":"ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ስዒቡ ኣብ ቀረባ ኣብ ክልል ትግራይ ግዚያዊ መንግስቲ ክጣየሽ ሙኻኑ ብወገን ክልል ትግራይ መራሒ ጉጅለ ሰላም ኣይተ ጌታቸው ረዳ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ተደጋጋሚ ዘተታት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜታዊ መግለፂ ተዛሪቦም። ኣብዚ ጉዳይ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ፖለቲካዊን ካልእ ማሕበራዊ ምዕበላታትን ትንታነ ንኽህቡና ቅድም ክብል ኣብ ዩኒቨርስቲ መቀለ መምህር ዝነበሩን ብዓል ሞያ ሕጊ ገብረህይወት ሓዱሽ ዓዲምና ኣሎና።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B5%E1%8A%95%E1%89%B3%E1%8A%90-%E1%88%85%E1%88%89%E1%8B%8A-%E1%8A%B5%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%89%B0%E1%8A%BD%E1%8A%A5%E1%88%8E%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%8B%B5%E1%88%BD-%E1%88%98%E1%88%AA%E1%88%95%E1%8A%90%E1%89%B5%E1%8A%95\/6957348.html"} {"headline":"ቃለ ምልስስ፤ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ምንታይ ደረጃ ኣሎ?","content":"ውዕል ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብዚ ሕዚ ኣብ ምንታይ ብርኪ ኣሎ? እንታይ ተማሊኡ እንታይከ ተሪፉ? ዝብልን ኩነታት ፖለቲካ ክልል ትግራይ እንታይ ይመስል ኣሎ ዝብልን ትንታነ ክህቡና ሰለስተ ኣጋይሽ ዓዲምና ኣለና። ዶክተር ገብረኺዳን ገብረስላሰ ካብ ጀርመን፡ ኣቦ መንበር ዓለምለኸ ማሕበር ምሁራት ትግራይን(GSTS) ፣ጋዜጠኛ ዳዊት ከበደ ወናኒ ኣውራምባ ታይምስን ካብ መቐለ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብዙሕ ዝነጥፍ ባሻ ደስታ ብዝብል ሽም ዝፍለጥ ደስታ ገብረሃዋሪያትን እዮም። እዚ ቃለ ምልልስ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ምዃኑ ክነዘኻኽር ንደሊ።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%9D%E1%88%8D%E1%88%B5%E1%88%B5-%E1%8B%8D%E1%8B%95%E1%88%8D-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D-%E1%8D%95%E1%88%AA%E1%89%B6%E1%88%AD%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%8A%95%E1%89%B3%E1%8B%AD-%E1%8B%B0%E1%88%A8%E1%8C%83-%E1%8A%A3%E1%88%8E-\/6951637.html"} {"headline":"ቃለ መሕትት ምስ ሓላፊ ቢሮ ኮሚኒኬሽን ክልል ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም","content":"ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያን ህወሓትን ስምምዕ ሰላምን ዘላቂ ምቁራፅ ተፃብኦ ፕሪቶሪያን ናይሮቢን ድሕሪ ምኽታሙ ኩነታት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ከመይ ብርኪ ይርከቡ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ብምልዓል ካብ ክልል ትግራይ ሕቶታት ገለ ነበርትን ከምኡ እውን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተደጋጊሞም ክለዓሉ ዝርኸብናዮም ሕቶታት መበገሲ ብምግባር ኣብ ክልል ትግራይ ሓላፊ ቢሮ ኮሚኒኬሽን ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ንህሉው ኩነታትን ዛጊት ብመሰረት እቲ ስምምዕ ዝተሰርሑ ስራሕቲን ከይዲን እቲ ስምምዕን ኣመልኪትና ኣዘራሪብናዮም ኣለና። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። ንዘይንጹርነት ድምጺን ምቁርራጽን ይቕሬታ ንሓትት።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%88%95%E1%89%B5%E1%89%B5-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%93%E1%88%8B%E1%8D%8A-%E1%89%A2%E1%88%AE-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%8A%AC%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%89%B0-%E1%88%A8%E1%8B%B3%E1%8A%A2-%E1%88%93%E1%88%88%E1%8D%8E%E1%88%9D\/6923647.html"} {"headline":"ገምጋም ኤርትራ ኣብ ዓመተ 2022","content":"ኣብዛ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወዳእናያ ዓመተ 2022 ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብሕልፊ ድማ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዙሕ ፍጻመታት’ዩ ኣጓኒፉ። በዚ ምኽንያት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጽላታት ጸጥታ፡ ቁጠባን ካልእ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ከመይ ሰጊራቶ ንምዝርራብ ድማ ክልተ ኣጋይሽ ዓዲምና ኣሎና። ተዛተይቲ ኣቶ ኢብራሂም ዓብደልኑር፡ ክኢላ ስነ-ሕሳብን ንኹነታት ኤርትራ ብቐረባ ዝከታተልን ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነባሪ ከባቢ ዋሺንግተንን ኣቶ ሳሙኤል ኣማሃ ሕጹይ ዶክተር ኣብ ኲንስ ዩኒቨስቲ ካናዳን’ዮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። ","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%88%E1%88%9D%E1%8C%8B%E1%88%9D-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B0-2022\/6910658.html"} {"headline":"ሓረስቶት ዓዲ ግራትን ከባቢ ኣን እንታይ ይብሉ፧","content":"ኣብ ቀረባ መዓልታት ናብ ዓዲ-ግራት ዝተጉዓዘ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ንእግረ-መገዱ’ውን ንመነባብሮን ኩነታት ሕርሻን ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ወረዳታት ዳህሲሱ ኣሎ። ንሎሚ ኣብ ጫፍ ቦታታት ዓውደ-ውግእ ዝርከቡ ሓረስቶት ኣዘራሪቡ'ሎ።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8C%89%E1%8B%93%E1%8B%98-%E1%8B%88%E1%8A%AA%E1%88%8D-%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB\/6882874.html"} {"headline":"'መድረኽ ህዝብታት ኣፍሪቃ' ዝተባህለ ውዳበ፡ ድምጺ ኣፍሪቃውያን ዝያዳ ክስማዕ ይጽውዕ","content":"'መድረኽ ህዝብታት ኣፍሪቃ' ዝተባህለ ምድላው ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ማእከል ኮሚኒቲ ኤርትራውያን ተኻይዱ ኔሩ። ካብ ኤርትራ፡ኢትዮጵያ፡ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ኣመሪካን ዝውለዱ ምሁራትን ተሓለቕትን ድማ ነናቶም ኣርእስቲ ሒዞም ንኣፍሪቃን፡ ዝምድና ኣመሪካን ዓለምን ዝምልከት መጽናዕታዊ ጽሑፋት ኣቕሪቦም ኔሮም። ነቲ መድረኽ ዝኣልይኦ ዝነበራ ካብ ኢትዮጵያውያን ስድራቤት ትውለድ ኣመሪካዊት ጋዜጠኛን ተሓላቒትን ሄርሜላ ኣረጋዊ ምስ ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ጸሓፊትን ወዳቢትን ዮሊያን ዑቕቡ ብምዃን`የን። ኤልያስ ኣማረ፡ ኤርትራዊ ተመራማሪ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ነብዩ ኣስፋው፡ መስራቲ ቤት ምኽሪ ልምዓት ኣመሪካን ኢትዮጵያን፡ ኤልያስ ሕሩይ ካብ ኢትዮጵያን ኣመሪካን ህዝባዊ ጉዳያት ኮሚቴ፡ ከምኡ`ውን ዶ\/ር ስምኦን ተስፋማርያም ሓኪምን ተሓላቒ ኣፍሪቃውያን ኮሚኒቲን ፡ካብ መንጎ`ቶም መጽናዕታዊ ጽሑፋቶም ዘቕረቡ ክኾኑ ኸለዉ፡ ካልኦት ከም ኢዩጂን ፑረየር፡ ፓወል ሳንካራ፡ ጃኩሊን ሉግማን፡ ካማኡ ፍራንክሊን፡ ኤሪካ ከይስን ፡ ሻን ብላክማን ዝኣመሰሉ ተጣበቕቲ ፓን-ኣፍሪካኒዝም እውን መደረታቶም ኣቕሪቦም ኔሮም`ዮም። ብዛዕባ`ቲ ዝተኻየደ መድረኽ ንድምጺ ኣመሪካ መብርሂ ዝሃበ ካብቶም መጽናዕታዊ ጽሑፋት ዘቕረቡ ሓደ ዝኾነ ተመራማርን ተንታንን ቀርኒ ኣፍሪቃ ኤልያስ ኣማረ፡ እቲ መድረኽ ነቲ ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ መራሕቲ ኣመሪካን ኣፍሪቃን ግብረ መልሲ ተባሂሉ ዝተዳለወ ኣይኮነን ድሕሪ ምባል፡ እንተኾነ ምስቲ ዘሕልፎ ውሳነ ግን ተመሳሳልነት ኣለዎ፡ ምኽንያቱ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብዚ እዋን`ዚ 'ንኣፍሪቃዊ ጸገም ኣፍሪቃዊ ፍታሕ' ዝብል መርሆ ሒዙ ስለዘሎ ንሕና`ውን ምስኡ ዝሳነ`ዩ ቅኒትና ኢሉ። ","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%8A%BD-%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A5%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%88-%E1%8B%8D%E1%8B%B3%E1%89%A0-%E1%8B%B5%E1%88%9D%E1%8C%BA-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%8B%AB%E1%8B%B3-%E1%8A%AD%E1%88%B5%E1%88%9B%E1%8B%95-%E1%8B%AD%E1%8C%BD%E1%8B%8D%E1%8B%95\/6875024.html"} {"headline":"ምርኢት፤ ንዝኽሪ ናይ ሕልና እሱራት ኤርትራ ኣብ ፓርላማ እንግሊዝ","content":"ኣብዚ ሰሙን ኣብ ፓርላማ እንግሊዝ ንናይ ሕልና እሱራት ኤርትራ ዝምልከት ምርኢት ክካየድ ቀንዩ። ብዛዕባ’ቲ ክካየድ ዝቐነየ ምርኢት ኣመልኪቱና መብርሂ ንኽህበና ሓደ ካብቶም ኣዳለውቲን ፈጻሚ ዳይረክተር ማሕበር ጸሓፍቲን ጋዜጠኛታትን ፐን ኤርትራን ዝዀነ ዓወት ፍስሃየ ኣዘራሪብናዮ ኣሎና። ","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8A%A2%E1%89%B5-%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%88%95%E1%88%8D%E1%8A%93-%E1%8A%A5%E1%88%B1%E1%88%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8D%93%E1%88%AD%E1%88%8B%E1%88%9B-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%8A%E1%8B%9D\/6869693.html"} {"headline":"ደቂ ኣንስትዮ ክልል ትግራይ ካብ ትግባረ ስምምዕ ሰላምን ምቁራጽ ተጻብኦን ትጽቢተን ይገልጻ","content":"ኣብ ፕሪቶሪያን ናይሮቢን ብዝተኻየደ ዘተ ስዒቡ ዝተኸትመ ስምምዕ ሰላምን ምቁራፅ ተፃብኦን ስዒቡ ይካየድ ንዘሎ ትግባረ ደቂ ኣንስትዮ ክል ትግራይ ትፅቢተን እንታይ ይመስል? ","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B0%E1%89%82-%E1%8A%A3%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8B%AE-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%88%8D-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AB%E1%8B%AD-%E1%8A%AB%E1%89%A5-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%89%A3%E1%88%A8-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%89%81%E1%88%AB%E1%8C%BD-%E1%89%B0%E1%8C%BB%E1%89%A5%E1%8A%A6%E1%8A%95-%E1%89%B5%E1%8C%BD%E1%89%A2%E1%89%B0%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%8C%88%E1%88%8D%E1%8C%BB\/6866353.html"} {"headline":"ሃገራዊ ኮሚሽን ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ዘተ ከጀምር ምዃኑ ኣፍሊጡ","content":"ሃገራዊ ኮሚሽን ምኽክር ኢትዮጵያ ኣጀንዳ ሕብረተሰብ ኣኪቡ ኣብ ቀረባ ዘተ ከጀምር ምዃኑ ኣፍሊጡ። እቲ ኮሚሽን ኣብዚ ሰሙን`ዚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዘይካ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ካልኦት ኩለን ክልልታት ተዘዋዊሩ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ንምስራሕ ከም ዝተመያየጠን፡ ከምኡ ድማ፡ናብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ምኻድ ምስ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ክዘራረብ ከም ዝጸንሐን ኣብ ቀረባ ክኸይድ ምዃኑን ግልጺ ጌሩ`ሎ። እቲ ምምይጥ ንኹሉ ዝሓቁፍ እንተኾነ`ኳ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝርከቡ ኣካላት ግን ምስ ዕጥቆም ኣካል`ቲ ምኽክር ክኾኑ ከምዘይክእሉ ተጠቒሱ`ሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ናይ ፖለቲካን ናይ ስነ-ሓሳብን መራሕትን ከምኡ`ውን ኣብ መንጎ ሕብረተሰብ ኣብ ዙርያ መሰረታዊ ሃገራዊ ጉዳያት ዘለዉ ፍልልያትን ዘይምርድዳእን ብምምኽኻር ናይ ምፍታሕ መስርሕ ንክመርሕ ዝቖመ ኮሚሽን፡ ነቲ ሕብረተሰብ ናይ ምምይያጥ ተግባር ንምጅማር ዘኽእልዎ ምድላዋት ኣብ ምዝዛም ከም ዝርከብ ሓቢሩ`ሎ። ኣብዚ ዓመተ 2015 ዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳያት ተባሂሎም ብመንግስቲ ካብ ዝተተለሙ መደባት ሓደ፡ ኣጀንዳ ሃገራዊ ምኽክር ምድላው ምዃኑ ፕረዚደንት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወ\/ሮ ሳህለ ወርቅ ዘውደ ኣብ መኽፈቲ ክልቲኡ ባይቶታት ምግላጸን ይዝከር። ነቲ ተግባር ዝመርሕ ሃገራዊ ኮሚሽን ምኽክር ኣብዚ ሰሙን`ዚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብቲ ሕብረተሰብ ኣጀንዳታት ኣተኣኻኺቡ ምምይጥ ከም ዘጀምር ኣፍሊጡ`ሎ። ፕሮፈሰር መስፍን ኣርኣያ ዋና፡ ኣተሓባባሪ`ቲ ኮሚሽን`ዮም፡“ቅድመ፡ ምድላዋት ክንዛዝም ስለዝነበረና፡ ሎሚ ምድላዋትና ኣብ ምዝዛም ንርከብ ኣለና። እቲ ምድላዋት ተጻፊፉ ተወዲኡ`ዩ ክንብል ንኽእል ግን ካብ ህዝብና ኣጀንዳ ኣምጺእና መልክዕ ክነትሕዞ ምስ እንጅምር`ዩ። ድሕሪኡ ናብ ሃገራዊ ኣጀንዳ ኣጻፊፍና ሃገራዊ ቅርጺ ክሳብ ነትሕዞ ክሳብ ፍርቂ`ዚ ዓመት ክወስደና ይኽእል`ዩ። ስለዚ ኣብ ምውዳእ`ዚ ዓመት ነቲ ምይይጥ ክንጅምሮ ኢና።\" ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ መምህር ሰላምን ጸጥታን ዝኾኑ ኣባል`ቲ ኮሚሽን ዶ\/ር ዮናስ ኣዳየ፡ ኣጃንዳታት ካብቲ ሕብረተሰበ ተኣኻኺቡ እቲ ምምይጥ ክሳብ ወርሒ መጋቢት ከም ዝጅመር ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቦም፡፡ “ኣብ ታሕታዋይ ጽፍሒ ካብ ዘሎ ማሕበረሰብ ማለት ካብ ቀበሌ፡ ወረዳ፡ ዞን፡ ተጻርዮም ዝወጹ ኣጀንዳታት`ዮም ናብ ላዕሊ ዝመጹ። ኣብ ፍርቂ `ዚ ዓመት ቀዳማይ ዙርያ ተጻርዮም ዝመጹ ኣጀንዳታት በሃገርለኸ ደረጃ ክንመያይጠሎምን ክንዛረበሎምን ኢና ኢልና ተሊምና ኣለና። ክሳብ መጋቢት ሚያዝያ፡ካብ ታሕቲ ጀሚርና ነቶም ቀንዲ ነጥብታት ክንመያየጠሎም ክንጅምር ኢና ኢልና ንሓስብ።\" ሽሕ`ኳ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ንኹሉ ወገን ዝሓቖፈ ክኸውን እቲ ኣዋጅ ዝገልጽ እንተኾነ፡ ዝዓጠቑ ኣካላት ግን ዕጥቆም ከይፈትሑ ኣካል`ቲ ምኽክር ክኾኑ ከምዘይክእሉ ፕሮፈሰር መስፍን ከምዚ ክብሉ ይገልጹ፡ “ሓቛፍን ኣሳታፍን ዝኾነ መስርሕ ተኸቲሉ፡ ክሳብ ታሕቲ ወሪዱ ከሳትፍ`ዩ። ዕጡቓት ብዝምልከት ግን ናይ ምይይጥ ጽንሰ-ሃሳብ እንተርኢና ክልተ ተመያየጥቲ ናብ ጠረጴዛ ዘተ ክመጹ ከለዉ ተዓጢቖም ኣይኮኑን ዝመጹ። ናብ ጠረጴዛ ዘተ ክመጹ ከለዉ መጀመርያ ኣብ ኣእምርኦም ዝመጾም ሰላም`ዩ። ብሰላም ጸገምና ክንፈትሕ ንኽእል ኢና ኢሎም`ዮም ዝመጹ። ሓደ ካላሽኑ ኣብ ጎኑ ኣቐሚጡ እቲ ሓደ ብሬኑ ኣብ ጎኑ ጌሩ ኣይኮነን ዝዛተዩ። ክልቲኦም ብረቶም ገዲፎም \"ናትና ምምይጥ ብዘይ ብረት ጸገምና ክፈትሓልና ይኽእል`ዩ\" ኢሎም እዮም ዝመጹ። ስለዚ ኣብ ምይይጥ ንምእታው ዕጥቂ ክፍታሕ ኣለዎ።” ዕጥቃዊ ምንቅስቓስ ኣብ ዘለዎ ከባብታት ዝነብሩ ክፋላት ሕብረተሰብ ድኣ ብኸመይ ኣብቲ ምይይጥ ክሳተፉ ይኽእሉ ዝብል ሕቶ ክልዓል ግድን`ዩ። ዶ\/ር ዮናስ ኣዳየ ከምዚ ክብሉ ይምልሱ።“ዕጥቂ የውርዱ ክብሃል ከሎ`ኮ እቶም ኣብ ግጭት ዝሳተፉ ዘለዉ`ምበር እቲ ማሕበረሰብ ማለት ኣይኮነን።እቲ ማሕበረሰብ ብሽማግለታት ኣቢሉ ውክልኡ ከቕርብ ይኽእል`ዩ። ንኣብነት ንኣባገዳታት ክንሓቶም ከለና ንሕና ኣገባብ ኣለና ሜላታት ኣለና ኣጀንዳኦም ክነሳትፎ ንኽእል ኢና እዮም ዝብሉና። ከምኡ`ውን ብኣብያተ ክርስትያትን ካልእን ኣቢልካ ዝግበር ሰፊሕ መንገድታት ኣሎ።” ባህላዊ መንገድታትን ካልኦት ናይ ምይይጥ ኣማራጽታትን ብምጥቃም ዕጡቓት ሓይልታት`ውን እንተኾኑ ናብ ሃገራዊ ምኽክር ከምዝመጹ ንምግባር እቲ ኮሚሽን ጻዕሪ ይገብር ከምዘሎ ኣፍሊጡ`ሎ። ኣባላት`ታ ኮሚሽን ዛጊት ብዘይካ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ካልእ ኩለን ከባብታትን ከተማታትን ተዘዋዊሩ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ዙርያ ሃገራዊ ምኽክር ብምትሕብባር ክሰርሕሉ ኣብ ዝኽእሉ ጉዳያት ምዝርራቦም ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ ኔሩ። ኣብ ቀረባ ንዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ፡ ናብ ክልል ትግራይ`ውን ንምጉዓዝ ይዳለዉ ከምዘለዉ ዝገለጹ ዶ\/ር ዮናስ፡ ብዛዕባ`ዚ ጉዳይ ምስ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሰንጎ ኣባሳንጆ ይዘራረቡ ከምዘለዉ`ውን ገሊጾም። “ንምኻድ ድልየትን ምድላዋትን ኣሎ። ግን በዚ መዓልቲ ክንከይድ ኢና ክንብል ኣይንኽእል ኢና። እቲ ንርእዮ ዘለና ምዕባለታት ግን ተስፋ ዝህብ`ዩ። ንኣብነት ብፍላይ ድምጺ ኣመሪካ ብወኪልኩም ሙሉጌታ ኣጽብሃ ዘቕረብክምዎ ግሩም ዝኾነ ዜና ይሰምዕ ኔረ። ስለዚ ኣብ ብዙሕ ሕብረተሰብ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታት ክመጹ ንርኢ ኣለና። ካብ ኣባሳንጆ ዝሰማዕናዮ ነገር`ውን ኣሎ።” ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ናይ ሲቪክ ማሕበራትን ውድባት ፖለቲካን ተቐራሪቡ ኣብ ምስራሕ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ገሊጹ`ዩ። ይኹን`ምበር ኣባላት`ቲ ኮሚሽን ገለልተኛ ከምዘይኮኑን እቲ ኮሚሽን ዝቖመሉ ዕላማ ንምዕዋት ከምዘይክእሉን ብምጥቃስ ብመንጽር ሃገራዊ ምርድዳእ ውጽኢት ከምጽኡ ኣይክእሉን እዮም ኢሎም ዝነቕፍዎም ውዱባት ፖለቲካን ውልቀሰባትን ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ኣኼባ ባይቶ ነዚ ነቔፈታ`ዚ ምላሽ ዝሃበ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ኔሩ። “ኩላትና በብዓቕምና ድጋፍ እንተገይርና ጥራይ`ዩ እዚ ሃገራዊ ምኽክር ክዕወት ዝኽእል። ኣባና ዘሎ ጸገም እቲ ነገር ገና ከይጀመረ ኣብ ናእሽቱ ነገራት ምትኳርና`ዩ። እዚ ከምዚ ኮይኑ ቅድሚ ምባልና ከምኡ ከይከውን ኣቐዲምና ምሕጋዝና ክነረጋግጽ ይግባእ።\" እቲ ሃገራዊ ኮሚሽን ኢትዮጵያ ምስ ዝቃወምዎ ሰልፍታት ፖለቲካ `ውን ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣምታት ሃናጺ ልዝብ የካይድ ምህላዉ ኣብቲ ናይዚ ሰሙን`ዚ መግለጺኡ ኣፍሊጡ`ሎ።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%8A%AE%E1%88%9A%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%88%9D%E1%8A%BD%E1%8A%AD%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%80%E1%88%A8%E1%89%A3-%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%8A%A8%E1%8C%80%E1%88%9D%E1%88%AD-%E1%88%9D%E1%8B%83%E1%8A%91-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8A%E1%8C%A1\/6860024.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ኣብ ጉዳይ ስምምዕ ፕሪቶርያን ናይሮቢን","content":"ነቲ ኣብ ፕሪቶሪያን ናይሮቢን ዝተፈፀሙ ስምምዓት ሰላምን ምቁራፅ ተፃብኦን ካብ ዘልዓሎም ነጥብታት ንትግባረኦም ግዜ ወሲዶም ይርከቡ። ብፍላይ እቲ ስምምዕ ኣብ ሕገ መንግስቲ ምድራኹ ክህልዎ ዝኸእል ጥቅምን ጉድኣትን ከምኡ'ውን ክህልዎም ዝኽእል ሕጋዊ ተፈፃምነት ምስ ናይ ካልኦት ሃገራት ተሞክሮን ብምትእስሳር ልምዶም ከካፍሉና ቅድም ክብል ኣብ መቀለ ዩኒቨርሲቲ መምህር ሕግን ዲን ኮሌጅ ሕግን ስነ-መንግስትን ዝነበሩ ኣብዚ እዋን ኣብ ቤልጄም ሳልሳይ ዲግሪኦም ኣብ ምምሃር ዝርከቡ ብዓልሞያ ሕጊ ገብረሂወት ሓዱሽ ዓዲምናዮም ኣለና። ","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%8D%95%E1%88%AA%E1%89%B6%E1%88%AD%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%93%E1%8B%AD%E1%88%AE%E1%89%A2%E1%8A%95-\/6863133.html"} {"headline":"ዘተ፤ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸሉ?","content":"ድሕሪ ስምምዕ ደቡብ-ኣፍሪቃ፡ ንተራን መጻኢ ኩነታት ኤርትራን ኣብ ዝምልከት ዶክተር ኣሰፋው ተኸስተ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ነበርን ኣብ በበይኑ ላዕለዋይ ጽፍሒ እቲ ግንባርን መንግስቲን ኰይኑ ዘገልገለ ሕጂ ኣብ ቶሮ ዩኒቨርስቲ መምህር: ኣብ ማሕበረኮም ኤርትራ ነዊሕ እዋን ዝሰርሐን ንፖለቲካዊ ምዕባለታት ዞባና ብቐረባ ዝከታተልን ኣልኣዛር ኣብርሃም ኣዘራሪብናዮም ኣለና። ","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%88%B5%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%8B%95-%E1%8D%95%E1%88%AA%E1%89%B6%E1%88%AA%E1%8B%AB-%E1%8A%95%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%A5%E1%8A%B8%E1%88%98%E1%8B%AD-%E1%8B%AD%E1%8C%B8%E1%88%89-\/6843802.html"} {"headline":"ትጽቢትን ሃንቀውታን ንሰላም","content":"ክልተ ዓመት ዝመልአ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ንህይወት ኣሽሓት ወሲዱ፡ ዝያዳኦም ድማ ኣማዛቢሉ ኣሎ። ቅድሚ’ቲ 2 ጥቅምቲ,2022 ኣብ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተፈረመ ስምምዕ ንዘላቒ ሰላምን ነባሪ ምቍራጽ ተጻብኦታትን ክልተ ኣጋይሽ ኣዘራሪብና ኔርና። ኣጋይሽን ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝቕመጥ ኤርትራዊ ግርማይ ኣርኣያን ከምኡ’ውን እንድርያስ ሃይለ ኣብ ዓድዋ ተወሊዱ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓደ ዩኒቨርስቲ ናይ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ (ኣይ.ቲ) መምህርን’ዮም። ","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%B5%E1%8C%BD%E1%89%A2%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%88%83%E1%8A%95%E1%89%80%E1%8B%8D%E1%89%B3%E1%8A%95-%E1%8A%95%E1%88%B0%E1%88%8B%E1%88%9D\/6819045.html"} {"headline":"ህልቂት ላምፐዱሳ ድሕሪ ትሽዓተ ዓመት","content":"ቅድሚ ትሽዓተ ዓመት 3 ጥቅምቲ 2013 መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝዀኑ 368 ሰባት ካብ ሊብያ ናብ ጣልያን ክሰግሩ ኣብ ደሴት ላምፓዱዛ ጥሒሎም ሞይቶም። ድምጺ ኣመሪካ’ ውን ነዛ ዕላትን ንሰራሓት ኣባ ሙሴን ዘርኣይን አመልኪቱ The MIGRANT PRIEST (“እቲ ስደተኛ ካህን”) ብዝብል ኣርእስቲ ሰናዲ ፊልም ሰሪሑ’ሎ። ነዛ ዕለት ምኽንያት ብምግባር እምበኣር ነቶም ንሰደተኛታት ንዓመታት ናይ ርድእዎም መልእኽቲ ከስምዑሎምን ኣብ ኤውሮጳ መሰል ስደተኛታት ክኽበርን ክጣበቁን ዝጸንሑ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ኣዘረሪብና’ለና።","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%85%E1%88%8D%E1%89%82%E1%89%B5-%E1%88%8B%E1%88%9D%E1%8D%90%E1%8B%B1%E1%88%B3-%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%89%B5%E1%88%BD%E1%8B%93%E1%89%B0-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5\/6780890.html"} {"headline":"21 ዓመታት ድሕሪ ክልከላ ጋዜጣታት ብሕቲ","content":"ቅድሚ 21 ዓመት 18 መስከረም 2001 ኣብ ኤርትራ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ዝተዓጽዋሉ እዋን’ዩ። ድሕሪ ምዕጻው እተን ጋዜጣታት ድማ ኣብ ዝቐጸለ ሓጺር መዓልታት ማእሰርቲ ኣሰናዳእተን ስዒቡ። ዛጊት 21 ዓመታት ደሃይ እዞም ጋዜጠኛታትን ኣብቲ እዋን ዝተኣስሩ ላዕለዎት ፖለቲካውያን መራሕቲ የሎን። ነዚ ኣጋጣሚ ምርኩስ ብምግባር እምበኣር ሎሚ ንሓንቲ ካብተን ጋዜጣታት ብሕቲ ኣበርካቲት ዝነበረትን ጸኒሓ’ውን ንሽዱሽተ ዓመት ዝተኣስረትን ጋዜጠኛ ይርኣለም ፍስሃ ዕላል ኣካዪድና ኣሎና። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%B5%E1%88%95%E1%88%AA-%E1%8A%AD%E1%88%8D%E1%8A%A8%E1%88%8B-%E1%8C%8B%E1%8B%9C%E1%8C%A3%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%89%A5%E1%88%95%E1%89%B2\/6753576.html"} {"headline":"ዘተ: ኣብ ጉዳይ ሓዳስ ዝተመዘዛ ቀ\/ሚ ብሪጣንያ","content":"ብሪጣንያ ሓዳስ ቀዳመይቲ ሚንስትር ትማሊ ሰሉስ መዚዛ'ላ። ንቦሪስ ጆንሰን ዝተክኣ 47 ዓመት ዝዕድሚአን ሊዝ ትራስ መራሒት ዓቃባዊ ፓርቲ እየን።ብዛዕባ እዚ ሓዱሽ ምዕባለ ዘዘራረብናየን ዶክተር ሰላም ኪዳነን ሰላማዊት ጊደይን ቀንዲ ወጣሪ ጉዳይ ኣብ ውሽጢ ዓባይ ብሪጣንያ ዝቕባበን ምኽባር ፀዓትን እዩ ይብላ።ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ይኹን ንቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምልከት ሓድሽ ፖሊሲ ንምትእትታው ካብ ሊዝ ትራስ ብዙሕ ትፅቢት ከምዘይገብራ ይገልፃ። ","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%88%93%E1%8B%B3%E1%88%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%88%98%E1%8B%98%E1%8B%9B-%E1%89%80-%E1%88%9A-%E1%89%A5%E1%88%AA%E1%8C%A3%E1%8A%95%E1%8B%AB\/6735358.html"} {"headline":"ዘተ: ኣብ ጉዳይ ኣብ ጊዘን ጀርመን ኣብ መንጎ ኤርትራዊያን ዘጋጠመ ፍጻመ","content":"ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጊሰን ዝተባህለት ከተማ ጀርመን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ብዝተፈጸመ ጎንጻዊ መጥቃዕቲ ልዕሊ 30 ሰባት ከምዝቖሰሉ ክግለጽ ቀንዩ`ሎ። ጠንቅን ሳዕቤንን ናይቲ መጥቃዕቲ፡ ከምኡ`ውን ሕጋዊ ኣተሓሕዛ ፖሊስ ጀርመን ብመጠኑ ንምፍላጥ፡ ንተኽልያ መኮነን፡ ኣብ ጀርመን ከባቢ 40 ዓመት ዝተቐመጠን፡ ምሁር ፓለቲካዊ ሳይንስን፡ ሃብቶም ዮሃንስ ድማ ኣብ ሆላንድ ነዊሕ ዝተቐመጠ ጋዜጠኛን ተሓላቒ ናጻ ፕረስን ኣዘራሪብናዮም ኣለና። ","category":"ፖለቲካ","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%8A%E1%8B%98%E1%8A%95-%E1%8C%80%E1%88%AD%E1%88%98%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8E-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%8C%8B%E1%8C%A0%E1%88%98-%E1%8D%8D%E1%8C%BB%E1%88%98\/6721107.html"} {"headline":"ኣብ ጽላል ዙር ሩዋንዳ፤ ኤርትራዊያን ተቐዳደምቲ ዝሓዘት ሓዳስ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ንቕድሚት ተማዕዱ","content":"ዙር ሩዋንዳ 2023 ይካየደሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ኣብዚ ውድድር፡ ንኤርትራዊያንን ሩዋንዳውያን ዝሓቘፈት፡ መይ ስታርስ (May Stars) ዝተሰምየት ጋንታ’ውን ትሳተፍ ኣላ። እዛ ጋንታ ኣብ ከምዚ ዝመስል ብመዐቀኒ ፈደረሽን ብሽክልታ ዓለም (ዩሲኣይ) 2.1 ዝዕቀን ክትሳፈት ፈለማኣ’ዩ። ብዛዕባ’ዛ ሓዳስ ጋንታ መብርሂ ንኽህበና ንናይ ቅድም ተቐዳዳሚን ናይ ሎሚ ኣስልጣኒን ኣኽሊሉ ሃይለ ካብ ሩዋንዳ ኣዘራሪብናዮ ኣሎና። ","category":"መንእሰያት","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%BD%E1%88%8B%E1%88%8D-%E1%8B%99%E1%88%AD-%E1%88%A9%E1%8B%8B%E1%8A%95%E1%8B%B3-%E1%88%93%E1%8B%B3%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8C%8B%E1%8A%95%E1%89%B3-%E1%8A%95%E1%89%95%E1%8B%B5%E1%88%9A%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%88%9B%E1%8B%95%E1%8B%B1\/6975913.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ኣባላት ኣብ ምምሃርን ኣፍልጦ ምዕባይን ሕብረተሰብ ዝነጥፍ ምትእኽኻብ 'ማህጸን'","content":"ኣብ ከተማ ማንቸስተር ብሪጣንያ ዝጀመረ ማሕበረሰባዊ ምትእኽኻብ 'ማህጸን' ኣብ ስደት ንዝርከቡ ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያዊያንን ናብራኦም ንምምራሕን ኣብ ሕብረተሰብን ንዘጋጥሙን ዝረኣዩን ዛዕባታን ኣብ ምፍታሕን ኣፍልጦ ኣብ ምዕባይን ምምሃርን ዝነጥፍ ምትእኽኻብ እዩ። ንመስረቲ እቲ ምትእኽኻብ ሰላማዊት ንጉሰን ኣድያም በየነን ብዛዕባ ዕላማን ሸቶን እቲ ምትእኽኻብ ከምኡ'ውን ዝተሰርሑ ስራሓት ብዝምልከት ኣዘራሪብናየን ኣለና።","category":"መንእሰያት","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A3%E1%88%8B%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%83%E1%88%AD%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%8D%E1%8C%A6-%E1%88%9D%E1%8B%95%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%8C%A5%E1%8D%8D-%E1%88%9D%E1%89%B5%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%8A%BB%E1%89%A5-%E1%88%9B%E1%88%85%E1%8C%B8%E1%8A%95-\/6964668.html"} {"headline":"ዕላል ምስ ኣብነታዊት መንእሰይ ዮሃና ተስፋይ","content":"ኣብነታዊት መንእሰይ ዮሃና ተስፋይ ኣብ ዝመጽእ ዓመተ ትምህርቲ ናብ ሓደ ካብ ዝበለጹ ዩኒቨርሲቲታት ኣመሪካ ፕሪንስተን ዩኒቨርስቲ ብልዑል ነጥቢ ክትጽንበር ዕድል ረኺባ'ላ። ዮሃና ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባዊን ናይ ቤት ትምህርታ ንጥፈታት እውን ብወለንታ ትሳተፍ። ንንጥፈታታትን ንመስርሕ ምጽንባርን ምምልካትን ናብ ዩኒቨርሲታት ኣመሪካ ንዝለዓለ ትምህርቲ ብዝምልከት ንዮሃናን ኣዲኣ ወ\/ሮ ትዕግስቲ ሓድጉን ኣዘራሪብናየን ኣለና። ","category":"መንእሰያት","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%95%E1%88%8B%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5%E1%8A%90%E1%89%B3%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AD-%E1%8B%AE%E1%88%83%E1%8A%93-%E1%89%B0%E1%88%B5%E1%8D%8B%E1%8B%AD\/6955815.html"} {"headline":"ንግዳያት ባህርያዊ ሓደጋን ጾታዊ መጥቃዕቲን ዝሕግዝ ሰናይ ተበግሶ","content":"ኣብ መቐለ ዝርከብ ማሕበር ሰማኢት ቅዱስ ጊዮርግስ ተስፋልኡክ ምስ ሓምሊን ማእከል ፊስቱላ መቐለ ብምትሕብባር ኣብ ውሽጥን ደገን ካብ ዝርከቡ ሓገዝ ወሃብቲ ብዘተኣኻኸብዎ ገንዘብ ኣብ ዝተፈላለያ ከባብታት ክልል ትግራይ ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ብምትእኽኻብ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክረኽባ ይገብሩ ኣለዉ። ","category":"መንእሰያት","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%8B%B3%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%AD%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%88%93%E1%8B%B0%E1%8C%8B%E1%8A%95-%E1%8C%BE%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%88%98%E1%8C%A5%E1%89%83%E1%8B%95%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%8B%9D%E1%88%95%E1%8C%8D%E1%8B%9D-%E1%88%B0%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%89%B0%E1%89%A0%E1%8C%8D%E1%88%B6\/6933733.html"} {"headline":"ብቕዲ ክዳን ባህሊን ልምዲን ሕብረተሰቡ ዘላሊ መንእሰይ","content":"ኣግኣዚ ማሞ ኣብ ኣመሪካ ተወሊዱ ዝዓበየ እዩ። ኣብ ሞያ ፋሽን ዝነጥፍ ኮይኑ ብፍላይ ከኣ ባህላውን ታሪኻውን ፍፃመታት ናብ ፋሽን ብምምፃእ መናእሰይ ማሕበረሰብ ትግራይ ነበርቲ ላስቬጋስ ኣብ ምብርታዕ ይርከብ። ንስራሕቱን ንጥፈታት ምንቅስቃስ መናእሰይ ላስቬጋስ ኣመልኪትና ኣዘራሪብናዮ ኣለና።","category":"መንእሰያት","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A5%E1%89%95%E1%8B%B2-%E1%8A%AD%E1%8B%B3%E1%8A%95-%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%8A%E1%8A%95-%E1%88%8D%E1%88%9D%E1%8B%B2%E1%8A%95-%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%89%A1-%E1%8B%98%E1%88%8B%E1%88%8A-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AD\/6925377.html"} {"headline":"'በለስ ቡቡ' ንባህሊ:ቋንቋን ልምዲን ሕብረተሰብ ንምምሃር ዝሰርሕ ናይ ዩቱብ ቻነል","content":"'በለስ ቡብ' ካብ ሃገሮም ወጻኢ ንዝዓብዩን ዝተወልዱን ህጻናት ባህሊ: ልምድን ቋንቋን ንምምሃር ዓሊሙ መሃርቲን ኣዘናጋዕቲን ትሕዝቶታት ንህጻናት ዘዳልው ናይ ዩቱብ ቻነል'ዩ። መስራቲትን ኣዳላዊትን'ቲ ቻነል መንእሰይ ቅሳነት ቴድሮስ ብዘይካ ኣብቲ ቻነል ተካይዶ ስርሓት ኣብ ኡጋንዳ ንዝነብሩ ህጻናት ትምህርቲ ቋንቋ ትግርኛ ትህብ: ናይ ትግርኛ ፊደላት ንህጻናት ትምህር መጽሓፍ'ውን አዳልያ ንሕትመት ኣብቒዓ'ያ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት'ውን ቢቢሲ ኣብ ዓመተ 2022 ጸለውቲ ደቂ ኣንስትዮ ዓለም ኢሉ ካብ ዝረቑሐት ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ ንምዃን በቒዓ'ያ። ነዚ መደብ ብኸመይ ከምዝጀመረቶ ክትበጽሖ ትደልይ ሸቶ ንትሕዝቶን ንጥፈታትን'ቲ ቻነል ብዝምልከት ኣዘራሪብናያ ኣለና።","category":"መንእሰያት","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A0%E1%88%88%E1%88%B5-%E1%89%A1%E1%89%A1-%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%8A-%E1%89%8B%E1%8A%95%E1%89%8B%E1%8A%95-%E1%88%8D%E1%88%9D%E1%8B%B2%E1%8A%95-%E1%88%95%E1%89%A5%E1%88%A8%E1%89%B0%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%8A%95%E1%88%9D%E1%88%9D%E1%88%83%E1%88%AD-%E1%8B%9D%E1%88%B0%E1%88%AD%E1%88%95-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%A9%E1%89%B1%E1%89%A5-%E1%89%BB%E1%8A%90%E1%88%8D\/6887683.html"} {"headline":"ጕዕዞ ሳሙኤል ብሓጺሩ፤ ኣመሪካ - ካርሸሊ - ኣመሪካ","content":"ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ሳሙኤል ወልዳይ፡ ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር’ዩ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ በበይኑ ትካላት ከም ዝሰርሐ ዝነግር ሳሙኤል፡ ዳሕራይ ንኣመሪካ መጺኡ ህይወቱ ይመርሕ ነይሩ። ኣብ 2019 “ለውጢ ንምምጻእ” ኢሉ ከም ዝተወደበ ዝሓበረ ሳሙኤል፡ ናብ ኤርትራ ድሕሪ ምኻዱ ብኣሃዱ ጸጥታ ኤርትራ ተኣሲሩ ኣብ በበይኑ ኣብያተ-ማእሰርቲ እታ ሃገር ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ጸኒሑ። ኣብ ወርሒ መስከረም ግን ካብቲ ዝጸንከረ ምዃኑ ዝንገረሉ ብልምዲ “ካርሸሊ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤት ማእሰርቲ ሃዲሙ። ብዛዕባ ጻንሖቱ ኣብ ማእሰርቲን ምስኡ ዝተኣሳሰር ጉዳያትን ዕላል ኣካዪድናሉ ኣሎና። ","category":"መንእሰያት","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8C%95%E1%8B%95%E1%8B%9E-%E1%88%B3%E1%88%99%E1%8A%A4%E1%88%8D-%E1%89%A5%E1%88%93%E1%8C%BA%E1%88%A9-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB---%E1%8A%AB%E1%88%AD%E1%88%B8%E1%88%8A---%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB\/6868193.html"} {"headline":"በዓል ብዙሕ ሞያ መንእሰይ ዮሃንስ ገ\/ሄር","content":"ኣብ በበይኑ ሞያታት ዝነጥፍን ኣብ ዝሓዞ ሞያ ድማ ብኣብነት ዝጥቀስን ዮሃንስ ገ\/ሄር ብዛዕባ ዝነጥፎ ሞያታትን ተመክሮን ከካፍል ኣዘራሪብናዮ ኣለና። ","category":"መንእሰያት","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%89%A5%E1%8B%99%E1%88%95-%E1%88%9E%E1%8B%AB-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AD-%E1%8B%AE%E1%88%83%E1%8A%95%E1%88%B5-%E1%8C%88-%E1%88%84%E1%88%AD\/6868164.html"} {"headline":"ኤርትራዊት ኣይዳ መብራህቱ ወ\/ት ኣፍሪቃ ዓባይ ብሪጣንያ 2022 ኮይና ትዕወት","content":"ንሓያሎ ሰሙናት ህዝቢ ድምጹ ብምሃብ ክሳተፈሉ ዝጸንሐ ውድድር ወ\/ት ኣፍሪቃ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ 2022፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ሎንዶን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ብዓወት ኤርትራዊት ኣይዳ መብራህቱ ተዛዚሙ። እዚ ንኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ዝተፈላለየ መምዘኒታት እናተጠቐመ ክመጽእ ዝጸንሐ ውድድር ኣመልኪትና ንዕውትቲ እቲ ውድድር ኣዘራሪብናያ ኣላ። ","category":"መንእሰያት","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%AD%E1%8B%B3-%E1%88%98%E1%89%A5%E1%88%AB%E1%88%85%E1%89%B1-%E1%8B%88-%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-%E1%8B%93%E1%89%A3%E1%8B%AD-%E1%89%A5%E1%88%AA%E1%8C%A3%E1%8A%95%E1%8B%AB-2022-%E1%8A%AE%E1%8B%AD%E1%8A%93-%E1%89%B5%E1%8B%95%E1%8B%88%E1%89%B5\/6828787.html"} {"headline":"'ካቢ+' ብኤርትራዊያን መንእሰያት ዝተዳለወ ፊልምታት ዝቐርበሉ መድረኽ(1ይ ክፋል)","content":"ዋሽንግተን — 'ካቢ' ትካል መሰልጠኒ ዝተፈላለዩ ሞያታት ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት፥ ሰልጠንቲ ንሞያኦም ንምኽዕባትን ኣብ ስራሕ ንምውፋርን ዓሊሙ ኣብ ቀረባ ጊዜ ናይ ትግርኛ ፊልምታት ዝቐርበሉ መድረኽ ኣዳልዩ'ሎ። እዚ 'ካቢ+'(Kabbee Plus) ዝብል መድረኽ ንምንታይ ከምዝተዳለወ ትሕዝትኡ: መጻኢ መደባትን ካልእን ብዝምልከት ነዚ ስራሕ ዘፍረዩ ጉጅለ መንእሰያትን ኣቦ መንበር ካቢን ኣዘራሪብናዮም ኣለና። 'ካቢ' ብቋንቋ ብሌን 'ሓግዝ' ማለት'ዩ። ኣብ ርእሲ'ዚ ንምርኣይ 'ካቢ+' ብኤርትራዊያን መንእሰያት ዝተዳለወ ፊልምታት ዝቐርበሉ መድረኽ(2ይ ክፋል) ዊንታ ኪዳነ wkidane@voanews.com ጥለብ","category":"መንእሰያት","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%AB%E1%89%A2-%E1%89%A5%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%B0%E1%8B%B3%E1%88%88%E1%8B%88-%E1%8D%8A%E1%88%8D%E1%88%9D%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%9D%E1%89%90%E1%88%AD%E1%89%A0%E1%88%89-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%8A%BD\/6807797.html"} {"headline":"ዕላል ምስ ኣፍረይቲ መሳርሒት ከሻኒት ድስቲ","content":"ሽዱሽተ ተማሃሮ ኤለክትሪካልን ኤለክትሮኒክስን ምህንድስና ማይ ነፍሒ፡ ባዕላ ጸብሒ እተዳሉ(እትኽሽን) መሳርሒት ሰኒዖም። እታ ከሻኒት ጸብሒ ብዝተዋህባ ፕሮግራም(ሓበሬታ) ዘድልያ ዓቐን ኣስቤዛ መዚና ብምውሳድ በቲ ልሙድ ኣገባብ መስርሕ ተኸቲላ ከም እትኽሽን ኣባላት ናይዛ ጉጅለ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም። ቀንዲ ዕላማ ናይዛ ስራሕ ሃልኪ ግዜን ሰብን ንምጉዳል ከምዝኾነ ዝገለጹ እቶም ሰናዕቲ፡ ኣብ’ቲ ንባህላዊ መግቢ ዝውክል ጸብሒ ስልሲን ንዘመናዊ መግቢ ዝውክል ዝበልዎ ሩዝን ብዘካየደዎ ፈተነ፡ ስልሲ ንምድላው ካብ 20-25 ደቒቕ፡ ንሩዝ ንምድላው ከኣ ካብ 15-20 ደቒቕ ከም ዝወሰደላ ኣረዲኦም። ነዛ ማሽን ንምስራሕ ከም ኣልሚንየም፡ ረስኒን ዘለሊ(ሴንሰር)፡ ከም ሞተር ዘገልግል ኣርዲኖን ዝኣመሰሉ ኣቑሑ ከምእተጠቕሙ ብምግላጽ፡ እቲ ንመብሰሊን መትሓዝን መግቢ ዝተጠቕምሉ ኣቝሑ ኣሉታዊ ጥዕናዊ ሳዕቤን ዘየኸትሉ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም። እታ ማሽን ባዕላ ተወሊዓ ግዜኣ ሓልያ ባዕላ ስለትጠፍእ ንሓደጋ ዘይተቃልዕ ኣብ ርእሲ ምዃና፡ ምስ እትብላሾ’ውን ነቲ ዝተበላሸወ ኣካል ብቐሊሉ ኣለሊኻ ንምጽጋን ምችእቲ ከምዝኾነት ወሲኾም ኣረዲኦም። እዛ ማሽን ከም መፈተኒ ንሓንቲ ስድራ ከተገልግል ተባሂላ ከምዝተዳለወት ዝገለጹ ሰናዕታ፡ ኣብ ቀጻሊ መጠና ብምዕባይ ኣብ ዝተፈላለዩ መዓላታት ከም ውራይ፡ መዓስከራት፡ ኮለጃትን ካልእን ኣብ ጥቕሚ ንምዋዓላን ካልእ ዓይነት መግብታት ከተዳሉ፡ ባዕላ ሽጉርቲ ከምትመተርን ነብሳ ከተጽሪን ንምግባራ ከምኡ’ውን ብብሉቱዝ፡ ዋይ ፋይን ናታ መተግበሪ ብምድላውን ብናይ ርሕቐት መቆጻጸሪ ብትእዛዛ ከም እትሰርሕ ንምግባራን መደብ ከምዘለዎም ኣብሪሆም ኣለዉ። ","category":"መንእሰያት","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%95%E1%88%8B%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%A8%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%88%B3%E1%88%AD%E1%88%92%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%88%BB%E1%8A%92%E1%89%B5-%E1%8B%B5%E1%88%B5%E1%89%B2\/6798724.html"} {"headline":"ዘተ ኣብ ጉዳይ ጥዕና ስነ ኣእምሮ","content":"10 ጥቅምቲ ዓለምለኸ ጥዕና ስነ ኣእምሮ ብፍሉይ ትዅረት ሂቡ ዝዝከረላ መዓልቲ እዩ። ጥዕና ስነ ኣእምሮ እንታይ እዩ? ባህሪያቱን ዝንፀባረቀ፟ሎም መገድታት'ከ? ከምኡ'ውን ብፍላይ ምስ ጭንቀት ተተሓሒዙ ዝህልዉዎ ምልክታትን ሰባት ከመይ ክሃስዮም ከምዝኽእልን ምስቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ኩነታት ብምትሕሓዝ ካብ ከባቢኦም ርሒቆም ዝርከቡ ደሃይን ኩነታትን ስድረኦም ዘጨንቆም፣ ኣብ ውሽጢ ኮይኖም ድማ ካብ ናህሪ ዋጋ ጀሚሩ ስጋብ ዝበልዕዎ ስኢኖም ፣ ንስድረኦም ዘቅርብዎ መግቢ ሓፂሩዎም ተጨናኒቆም ንሕማም ስነ-ኣእምሮ ዝተሳጥሑ ሰባት ከመይ ንርእሶም ኣህዲኦም ህይወቶም ኣመዓራርዮም ዝሐሸ ተስፋ ክረኽቡ ይኽእሉ ኣብ ዝብሉ ሓሳባት ምስ ክልተ ሰብ ሞያ ዝዘተናሉ መደብ እዩ። ዶ\/ር ሰይፉ መንገሻ ኣበራ ኣብ ግዝኣት ዋሽንግተን ከተማ ሲያትል:ኣለምባንተ ፍቃዱቅድም ክብል ኣባል ክፍሊ ትምህርቲ ስነልቦና ዩኒቨርስቲ መቀለ ዝነበሩን ኣብዚ እዋን ንትምህርቲ ኣብ ሃንጋሪ ዩኒቨርስቲ ኣብ ክሊኒካል ሳይኮሎጂ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቶም ዝከታተሉ ዘለዉን እዩም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምክትታት ይክኣል። ","category":"መንእሰያት","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%98%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8C%89%E1%8B%B3%E1%8B%AD-%E1%8C%A5%E1%8B%95%E1%8A%93-%E1%88%B5%E1%8A%90-%E1%8A%A3%E1%8A%A5%E1%88%9D%E1%88%AE\/6795405.html"} {"headline":"ሚንስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ባህርያዊ ጸረ-ባልዕን ጸረ-ሕማማትን የተኣታቱ","content":"ሚንስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ሓረስቶት ብቐረባ ክረኽቡዎ ዝኽእሉን ውሕስነት ዘለዎን ባህርያዊ ጸረ-ባልዕ የተኣታቱ ከም ዘሎ ኣብ ሚንስትሪ ሕርሻ ሓላፊት ምክልኻል ቡቕሊ ወ\/ሮ ልኡላ መኮነን ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢራ። እቲ ባህርያዊ ጸረ-ባልዓት ንምድላዉ ቀሊልን ብንኡስ ዓቕሚ ሓረስቶት ክዳሎን ዝኽእልን ዝኾነ ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘይብሉን ብምዃኑ ዝያዳ ተመራጽን ኣድማዕን ከምዝኾነ ወ\/ሮ ልኡላ ወሲኻ ኣረዲኣ። ","category":"መንእሰያት","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%9A%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%88%AA-%E1%88%95%E1%88%AD%E1%88%BB-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-%E1%89%A3%E1%88%85%E1%88%AD%E1%8B%AB%E1%8B%8A-%E1%8C%B8%E1%88%A8-%E1%89%A3%E1%88%8D%E1%8B%95%E1%8A%95-%E1%8C%B8%E1%88%A8-%E1%88%95%E1%88%9B%E1%88%9B%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%A8%E1%89%B0%E1%8A%A3%E1%89%B3%E1%89%B1\/6783519.html"} {"headline":"ንጽጉማት ኣብ ምሕጋዝ ዝነጥፉ መንእሰያት ከተማ መቐለ","content":"ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ብግዱሳት ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣረጋውያንን ጸጉማትን ንምሓጋዝ ዝተጣየሰ፡ “ፍቕሪ ሰብ” ዝተሰምየ ማሕበር፡ ሎሚ ንሓያሎ ተመዛበልቲ’ውን ኣገልግሎት ህጹጽ መግቢ ይቕርብ ኣሎ። ","category":"መንእሰያት","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%95%E1%8C%BD%E1%8C%89%E1%88%9B%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%88%95%E1%8C%8B%E1%8B%9D-%E1%8B%9D%E1%8A%90%E1%8C%A5%E1%8D%89-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A8%E1%89%B0%E1%88%9B-%E1%88%98%E1%89%90%E1%88%88\/6779016.html"} {"headline":"ዕላል ምስ ኤርትራዊት ሩት ተወልደ መስራቲት ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ትግርኛ ብርሕቐት 'ሰማይኪድስ'","content":"'ሰማይኪድስ' ኣብ ወጻኢ ሃገር ንዝተወልዱ ህጻናት ከምኡ'ውን ዓበይቲ ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዘለውዎ ቦታ ኮይኖም ብርሕቐት ክመሃሩ ዕድል ትፈጥር ዘላ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ እያ። ብተወሳኺ ምምሃር ስእሊ ብትግርኛን ንኣደማምጻ ቋንቋ ትግርኛ ዝሕግዝ መሳርሒ ብምድላው ነቲ መስርሕ ምምሃር ተኻዕብት። መስራቲት እዛ ቤት ትምህርቲ ንገዛእ ርእሳ ኣብ ኢጣልያ ተወሊዳ ዝዓበየት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣመሪካ ትነብር ኤርትራዊት ኢጣልያዊት ሩት ተወልደ ብዛዕባ 'ሰማይኪድስ' ትህቦ ትምህርቲን ተቕርቦ ፍርያትን ብዝምልከት ኣዘራሪብና አለና። ","category":"መንእሰያት","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%95%E1%88%8B%E1%88%8D-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%89%B2%E1%89%B5-%E1%89%A4%E1%89%B5-%E1%89%B5%E1%88%9D%E1%88%85%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%89%8B%E1%8A%95%E1%89%8B-%E1%89%B5%E1%8C%8D%E1%88%AD%E1%8A%9B-%E1%89%A5%E1%88%AD%E1%88%95%E1%89%90%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%9B%E1%8B%AD%E1%8A%AA%E1%8B%B5%E1%88%B5-%E1%88%A9%E1%89%B5-%E1%89%B0%E1%8B%88%E1%88%8D%E1%8B%B0\/6777397.html"} {"headline":"'መስመር ጽዕነት ዓበይቲ መካይን ኣመሪካ ይበራበር'ሎ' መስራቲ ሊሎ ትራንስፖርት","content":"'ሊሎ ኤክስፕረስ' ዝተባህለ ኣብ ሲልቨር ስፕሪንግ መርላንድ ዝመደበሩ ኣገልግሎት ምውፋር መካይን ጽዕነት፡ ንተጠቃማይ ሕብረተሰብ ምሉእ ሓበረታ ንምሃብ ይሰርሕ ምህላዉ ኣፍሊጡ'ሎ። መስራቲ እቲ ኩባንያ ምሕረተኣብ ተወልደ፥ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ19 ተኣጓጒሉ ዝጸንሐ መስመር ጽዕነት ዓበይቲ መካይን፡ ፕረዚደንት ባይደን ድሕሪ ዝፈረሞ ናይ ፖሊሲ ምብርባር፡ እቲ ስራሕ ዳግም ህይወት ክዘርእ ከምዝጀመረ ገሊጹ'ሎ።","category":"መንእሰያት","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%98%E1%88%AD-%E1%8C%BD%E1%8B%95%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%8B%93%E1%89%A0%E1%8B%AD%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%8A%AB%E1%8B%AD%E1%8A%95-%E1%8A%A3%E1%88%98%E1%88%AA%E1%8A%AB-%E1%8B%AD%E1%89%A0%E1%88%AB%E1%89%A0%E1%88%AD-%E1%88%8E-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%88%AB%E1%89%B2-%E1%88%8A%E1%88%8E-%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8A%95%E1%88%B5%E1%8D%96%E1%88%AD%E1%89%B5-\/6773567.html"} {"headline":"ኣብ ኤርትራ 5 መንእሰያት ኣውቶማቲክ ናይ ዲጋ መኽፈቲን መዕጸዊን ሰኒዖም","content":"ሓሙሽተ ናይ ኤለክትሪካል ቴክኖሎጂ ምሩቓት፡ ኣውቶማቲክ ናይ ዲጋ መቆጻጸሪ መሳርሒት ስኒዖም። እታ መሳርሒት ዲጋ መሊኡ ከምዘሎ እትሕብርን ነቲ ዝያዳ ማይ ናብ መእለዪ እትኣልን ከምኾነት ኣባላት ናይታ ጉጅለ ዝዀኑ ኤስሮም ፍስሃየን ሳሮን ኣድሓኖምን ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቦም። ","category":"መንእሰያት","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB-5-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AB%E1%89%B5-%E1%8A%A3%E1%8B%8D%E1%89%B6%E1%88%9B%E1%89%B2%E1%8A%AD-%E1%8A%93%E1%8B%AD-%E1%8B%B2%E1%8C%8B-%E1%88%98%E1%8A%BD%E1%8D%88%E1%89%B2%E1%8A%95-%E1%88%98%E1%8B%95%E1%8C%B8%E1%8B%8A%E1%8A%95-%E1%88%B0%E1%8A%92%E1%8B%96%E1%88%9D\/6758747.html"} {"headline":"ዳግም ምውላዕ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብኣዒንቲ መንእሰያት","content":"ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ብዝተወልዐ ኲናት ነቲ ዝነበረ ቍሩብ ተስፋታት ኣቕሂሙ ንዝኸፍአ ብርሰትን ሞትን ከስዕብ ከም ዝእኽል ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም መንእሰያት ይሕብሩ። ገለ ካብቶም ርእይቶ ዝሃቡ መንእሰያት ድሮ በቲ ዝቐደመ ኲናት ዝኣክል ምጕስቓልን ዕንወትን ከም ዝወረዶም ይዛረቡ።","category":"መንእሰያት","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8B%B3%E1%8C%8D%E1%88%9D-%E1%88%9D%E1%8B%8D%E1%88%8B%E1%8B%95-%E1%8A%B2%E1%8A%93%E1%89%B5-%E1%88%B0%E1%88%9C%E1%8A%95-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-%E1%89%A5%E1%8A%A3%E1%8B%92%E1%8A%95%E1%89%B2-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8A%A5%E1%88%B0%E1%8B%AB%E1%89%B5\/6758693.html"} {"headline":"ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኤፍሬም ኣረፋይነ ሃብተ ኣብ ምርጫ ሽወደን ይሳተፍ","content":"ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኤፍሬም ኣረፋይነ ሃብተ መስከረም 11,2022 ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ ሽወደን ን'ሰንትራል' ዝተባህለ ሰልፊ ወኪሉ ኣብ ሰለስተ ባይቶታት'ታ ሃገር ይወዳደር ኣሎ። ንሱ ናብ ፖለቲካ እታ ሃገር ዝተጸንበረሉ ምኽንያት ኣቐዲሙ ኣብ 2018 ዝነበረ ምርጫ ዝነበረ ተመኽርኡ ከምኡ'ውን ኣብዚ ምርጫ እንተተዓዊቱ ክሰርሓሉ ዝደልይ ጉዳያት ብዝምልከት ኣዘራሪብናዮ ኣለና።","category":"መንእሰያት","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8A-%E1%88%BD%E1%8B%88%E1%8B%B0%E1%8A%93%E1%8B%8A-%E1%8A%A4%E1%8D%8D%E1%88%AC%E1%88%9D-%E1%8A%A0%E1%88%A8%E1%8D%8B%E1%8B%AD%E1%8A%90-%E1%88%83%E1%89%A5%E1%89%B0-%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%88%9D%E1%88%AD%E1%8C%AB-%E1%88%BD%E1%8B%88%E1%8B%B0%E1%8A%95-%E1%8B%AD%E1%88%B3%E1%89%B0%E1%8D%8D-\/6733439.html"} {"headline":"“ቪቪ ኪድስ\" ቆልዑ እንዳተዘናግዑ ዝመሃሩሉን ፕሮጀክት","content":"ቅሳነት ጎይትኦም ዝተባህለት በዓልቲ ሞያ ምህንድስና ኮምፕዩተር ቆልዑ እናተዘናግዑ ዝመሃሩሉ፡ ባህሎም፡ክብርታቶምን ልምድታቶምን ዝፈልጥሉ ፕሮጀክት ኣማዕቢላ። እቲ ብትሽዓት ቋንቋታት ኤርትራ ዝተዳለው ፕሮጀክት፡ብመልክዕ ጎናዊ ርእየት (ኣኒሜሽን) ወይ ስእሊ ዝተዳለው ዝተፈላለዩ ቪድዮታት፡ጸወታታ፡ዛንታታትን ካልእን ትሕዝቶ ዝሓቖፈት ከምዝኾነት መሃንድስ ቅሳነት ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪባ። እዛ ፕሮጀክት ኣብ ትምህርቲ ቆልዑን ካልእን ብዘለዋ እወንታዊ ኣበርክቶ፡ ቶታል ኣብ ዘዳለዎ ናይ 2022 ውድድር ምህዞን ሰንዓን ከምዝተዓወተት መንእሰይ ቅሳነት ገሊጻ’ላ።","category":"መንእሰያት","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%AA%E1%89%AA-%E1%8A%AA%E1%8B%B5%E1%88%B5-%E1%89%86%E1%88%8D%E1%8B%91-%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%8B%B3%E1%89%B0%E1%8B%98%E1%8A%93%E1%8C%8D%E1%8B%91-%E1%8B%9D%E1%88%98%E1%88%83%E1%88%A9%E1%88%89%E1%8A%95-%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8C%80%E1%8A%AD%E1%89%B5\/6724185.html"} {"headline":"ቃለ መጠይቕ ምስ ፕሮፌሰር መንግስትኣብ ተስፋሃንስ","content":"መሃዝነትን ፈጠራን ንዕብየት ሓንቲ ሃገር ዘለዎ ግደን ንዝምህዙን ዝፈጥሩን ክግበር ብዛዕባ ዘለዎ ምትብባዓትን ንተመኩሮ ካልኦት ሃገራትን ብምልዓል ንፕሮፈሰር መንግስትኣብ ተስፋዩሃንስ ካብ ኒውዮርክ ስተይት ዩኒቨርስቲ ኣዘራሪብናዮም ኣለና።","category":"መንእሰያት","url":"https:\/\/tigrigna.voanews.com\/a\/%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95-%E1%88%9D%E1%88%B5-%E1%8D%95%E1%88%AE%E1%8D%8C%E1%88%B0%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%8D%E1%88%B5%E1%89%B5%E1%8A%A3%E1%89%A5-%E1%89%B0%E1%88%B5%E1%8D%8B%E1%88%83%E1%8A%95%E1%88%B5\/6722726.html"} {"headline":"መበገሲ ገጽ","content":"መበገሲ ገጽ\n\n__NOEDITSECTION__\n\n
\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=595"} {"headline":"ኣስመራ","content":"ኣስመራ\n\nኣስመራ ዝዓበየትን ርእሰ ከተማን ኤርትራ እያ። ኣስታት 579 ሽሕ ዝኸውን ህዝቢውን ይቅመጥዋ። ካብቶም ቀንዲ ኢንዱስትርያዊ ፍራያት ዐለባ፡ ዝተዐሸገ ስጋ፡ ቢራ፡ ሳእኒን ኣሕልታትን ይርከብዎም።ከምኡ ውን ኣብ ዩ.ኔ.ስ.ኮ(U.N.E.S.O) ተመዝጊባ ዘላ ከተማ እያ።\n\nቀንዲ ተቀማጦ ኣስመራ ካብ ብሄረ ትግረ ኮይኖም ኣርባዕተ ኣስመራ ሓምሻዮም ነበራ ይብሃሉ: ከምቲ ዝፍለጥ ኣብ ኣስመራ ሸፋቱ የሸግርዎም ስለዝነበሩ እተን ኣንስቶም እየን ኣስሚረንኦም:: ኣርባዕተ ክንብል ከለና ኣሕዋት ኣይነበሩን ገዛ ኣስምዔን ገዛ ስርንስር ጥራሕ እዮም ደቂ ሓደ ሰብኣይ እንዳ ሓሰበላ ዝብሃሉ:: ነበራ ዝብሃሉ ደቂ ክልተ ኣሕዋት ኮይኖም ካብ ሓሰብን ሓሰበላን ይውለዱ:: ገዛ ስርንስርን ኣስምዔን ነበራን ደቂ ክልተ ኣሕዋት ክኮኑ ከለው:: እቶም ክልተ ነገድ ገዛ ጉረቶምን ሸለለን ግና ካብ ካልእ ቦታ ዝነገዱ እዮም:: ብዛዕባ ነበራ ምስ መግዛእቲ ኣሉላ ናብ ከባቢ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ክቅመጡ ተገዲዶም ኣብ ጉልዒ ዝብሃል ዓድን ብድሕሪ ቤት ገርግሽ ዘሎ ኣጻድፍ ክነብሩ ወሲኖም::\n\nSection::::ታሪኽ.\nኣስመራ ኣብ መበል ዐሰርተው ክልተ ክፍለ ዘመን ካብ ኣርባዕተ ማይቤት እያ ተመስሪታ ። ከም ዝዝንተው ፈለማ ገዛ ጉርቶም፣ ገዛ ሸለለ፣ ገዛ ሰረንሰር ን ገዛ አሰምዐ ዝተባህሉ ኣርባዕተ ማይ ቤት ይነብሩ ነይሮም ። ዝተጠቅሱ ማይ ቤታት \nካብ መታሕትን ካብ ስግር መረብ ምላሽን ብዝመጹ ዝነበሩ ጸላእቲ ብቀጻሊ ይውረሩ ነበሩ።ነዚ ንምክልካል ድማ ኣንስቲ ኣርባዕቲአን ዓዲ ብሓባር ክሰምራ ተሰማምዓ።እቲ ሓሳብ ውን ንሰብኡተን ነገርኦም ። እቶም ሰብኡት ውን በዚ ተሰማሚዖም ነቲ ሓሳብ ናይ ኣንስቶም ኣብ ግብሪ ኣውዓልዎ። ሳልእን ውን ስለ ዝሰመሩ \"ኣርባዕተ ኣስመራ\" ኢሎም ነታ ሓዳሽ ዓዲ ሰየምዋ። እቲ ምስኡ ጠቢቑ ዝዓበየ ብ ኢጣልያውያን ዝኸተመ ክፍሊ ኸኣ ኣስመራ ተባሂሉ ክፅዋዕ ጀመረ ። እታ ጥንታዊት ክፋል ግና ክሳብ ሕጂ ደቀባት ይሰፍርዋን ኣርባዕተ ኣስመራ ተባሂላ ትጽዋዕን ኣላ ። ኣስመራ ብ 1889 ወረርቲ ሓይሊ ጥልያን ኣትዮም ኣኸቲሞም ቀይሕ ባሕሪ ናብ ከተማ ምጽዋዕ ዝበጽሕ መገዲ ባቡር ተሰሪሑላ ግን ከኣ ክሳብ ሕጂ ዝጠፍኣ ዓድታት ኣለዋ ኣብ ዉሽጢ ኣስመራ ከም ገጀረት፡ሰምበል፡ሰኒታ፡ቤት መኻእ ኣብ ግዜ ኣሉላ መሬቶም ገዲፎም ተሰደዱ ህዝቢ ደቀባት ናይቲ ቦታ ኣብ ድሕሪ ቤት ገርግሽ ዝርከብ ኣጻድፍ ይነብሩ ኣለዉ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=1650"} {"headline":"ስነ-ኮኾብ","content":"ስነ-ኮኾብ\n\nስነ-ኮኾብ (አስትሮኖሚ) ናይ አፅናፈ ዓለምን አብ ውሽጡ ዝርከቡ ነገራትን ዘፅንዕ ናይ ምርምር ክፋል እዩ። \nአስትሮኖሚ ዘፅንዕ ስብ አስትሮኖመር ተባሂሉ ይፅዋዕ። አስትሮኖመራት ዝርኤ ብርሃን ጥራይ ዘይኮነ ከም ናይ ሬድዮ ሞገዳት ዝአመሰሉ ዘይረአዩ ናይ ሓይሊ ዓይነታት ብዝርኢ ተለስኮፕ ዝተባህለ መሳርያ ን ሰማያት የጽንዑ። \nአብ ቀረባ ዝርከቡ ከም ጸሓይ (ምልክት: ☉)፣ ፕላነትትን (☿ ♀ 🜨 ♂ ♃ ♄ ⛢ ♆)፣ ኮመትትን (☄)፣ ከምኡውን አዝዮም ርሑቕ ዘለዉጋላክሲ \nዝተባሃሉ ናይ ጠፈር አካላትን ካልኦት አብ አዝዩ ርሑቕ ቦታ ዝርከቡ ናይ ጠፈር አካላት ብዑምቀት የፅንዑ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=1765"} {"headline":"ባዮሎጂ","content":"ባዮሎጂ\n\nባዮሎጂ ብዛዕባ ህይወት ዘለዎም ነገራት ዘፅንዕ ናይ ምርምር ክፋል እዩ። ነዚ ፅንዓት ዘካይድ ሰብ \"ባዮኦልጂስት\" ተባሂሉ ይፅዋዕ። መብዛሕቱ ግዜ ባዮሎጂ አብ ክልተ ይምቀል። እቶም ክልተ ጨንፈራትውን \"ቦታኒ\" (ብዛዕባ ተኽልታት ዘጽንዕ) ከምኡውን \"ዙሎጂ\" (ብዛዕባ እንስሳታት ዘፅንዕ) እዮም። እዞም ክልተ ጨንፈራት ከአ ደጊም ናብ ዝተፈላለዩ ጨንፈራትን ፍሉይ ናይ ምርምር ክፋላት ይምቀሉ። \nይኹን እምበር ከም \"አናቶሚ\" (ህይወት ናይ ዘለዎም ነገራት ንድፊ ዘጽንዕ ጨንፈር) ን \"ጀነቲክስ\" (አብ ልዕሊ ውርሰ ባህሪ ድግበር ፅንዓት) ዝአመስሉ መብዛሕትኦም ጨናፍር ባዮሎጂ ንእንስሣ ይኹን ን አታኽልቲ ብዘየገድስ ንክልቲኦም ክፋል ህይወት የፅንዑ። \nባዮሎጂስትታት መብዛሕትኡ ግዜ ጽንዐቶም ንምክያድ ካብ ጨንፈር ፅንዓት ናቶም ዝተፈልየ ናይ ምርምር ክፋላት ዝጥቀሙሉ ዘዴታትን ሐደስቲ ፍልጠታትን ይጥቀሙ። ንአብነት ተጠቐስና፡ ህይወት አብ ዘለዎም እንስሳታትን አታኽልትን ዝካየዱ ውህደታት ንምርዳእ ክሕግዞም ምእንቲ \"ፊዚክስ\" ን \"ኬሚስትሪ\" አብ ዝተባህሉ ናይ ምርምር ጨንፈራት ይውከሉ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=1766"} {"headline":"ጥዕና ሳይንስ","content":"ጥዕና ሳይንስ\n\nናይ ጥዕና ሳይንስ ንናይ ሰብን እንስሳን ጥዕና ዝምልከት ጨንፈር ስነ ፍልጠት እዩ ። ናይ ጥዕና ሳይንስ አብ ክልተ ጨናፍር ይምቀል ። እቲ ቀዳማይ ንመጽናዕትን ፈተነታትን እቲ ካልኣይ ከኣ ንተግባራዊ መዓላኡ ይምልከት።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=1768"} {"headline":"መርበብ ቋንቋ ኣደ ትግርኛ","content":"መርበብ ቋንቋ ኣደ ትግርኛ\n\nመርበብ ቋንቋ ኣደ ትግርኛ፡ ብዕለት ፲\/፲፩\/፳፻፫ ብወግዒ ተኸፊቱ። ማትስ ቨነርሆልም፡ ሓላፊ መርብብ ቋንቋ ኣደ ናይ ኵለን ቋንቋታት፡ \"እንቋዕ ኣሐጐሰና!\" ብምባል ከፊቱዎ። ኣብ ዘረባኡ፡ እቲ ንትግርኛ ማዕረ እተን ካልኦት ፳ ቋንቋታት ንምግባር እተገብረ ጻዕሪ ብቐሊል ዚግመት ኣይኰነን። ብዝሒ ፊደላት ግእዝ ጸገማት ኣምጺኡ ነይሩ ኢዩ። መፍትሒ ክሳዕ ዚርከበሉ'ውን ግዜ ወሲዱ ኢዩ። ኣብ'ዚ ምብጻሕና ኣዝዩ ዜሕጕስ ኢዩ። \n\nምስ'ተን ካልኦት ቋንቋታት ሓዊስካ፡ መርበብ ቴማ ቋንቋ ኣደ ሓንቲ ካብተን ብሉጻት መርበባት ኤውሮጳ ኰይና ኣላ፡ ኢሉ። \n\nመምህር ምንያ ጸጋይ፡ ነቶም ዕድመኦም ኣኽቢሮም ዝመጹ ኣጋይሽ ምስ'ቲ መርበብ ኣላልይቶም። \n\nነዚ መርበብ ምስ ረኣኹሞ፡ ርእይቶታትኩም ክትሰዱልና ተስፋ ንገብር። ሕጂ'ውን መሊስና መርሓባ!!\n\nመበል ፲፫ በዓል ነጻነት ኤርትራ፡ ካብ ሓሙስ ፳ ግንቦት ክሳዕ ቀዳም ፳፪ ግንቦት ብዝተፈላለየ ንጥፈታት ስፖርትን ካልእን ከቢሩ ቀንዩ። \n\nሓሙስን ዓርብን ቅድድም ጕያ እግሪ ንቘልዑን መንእሰያትን ኣብ ዱቭቦ ተኻይዱ። እቶም ዝሰዓሩ ከኣ ብልጫ ተዓዲሎም። እዚ ብቅድድም ጕያ እግሪ ወለዲ ተዛዚሙ።\n\nቀዳም ምሸት ንዅሉ ሕዝቢ ኣብ ሊሊሆልመን ካብ ሰዓት ፲፮.** ጀሚሩ ክሳዕ ዚወግሕ ዓቢ በዓል ተገይሩ። ኣብዚ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ተኻይዱ። ካልኣይ ደረጃ ንዝወድኡ ተመሃሮ ፍሉይ ኣቀባብላ ተገይሩሎም። ንኣሽቱ ተመሃሮ ጥዑም መዛሙር ዘሚሮም። ቍሩብ ዕብይ ዝበሉ ተመሃሮ ከኣ መዛሙር ዘሚሮም፡ ተዋስኦ ኣርእዮም፡ መደረታት ከኣ ኣስሚዖም።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=1934"} {"headline":"ርሑስ ቀውዒ! ርሑስ ምጅማር ትምህርቲ!","content":"ርሑስ ቀውዒ! ርሑስ ምጅማር ትምህርቲ!\n\nርሑስ ቀውዒ! ርሑስ ምጅማር ትምህርቲ!:\n\nእንሆ እምበኣር ዕረፍቲ ክረምቲ ተወዲኡ፡ ቀውዒ ኣትዩ፡ ቤት ትምህርቲ ተኸፊቱ። \n\nመምህራን ስራሕና፡ ተመሃሮ ከኣ ትምህርትኹም ጀሚርኩም። \n\nጽቡቕ ምጅማር ይግበረልና! \n\nኣዳለውቲ እዚ መርበብ'ዚ ብዝተኻእለ መጠን ንዓኻትኩም ይጠቅም ይኸውን \n\nኢልና ዝገመትናዮ ነገራት ከነዳልወልኩም ክንፍትን ኢና። \n\nመምህራንን ወለድን ተመሃሮን ከኣ በብወገንኩም ብዝተኻእለኩም መጠን፡ \n\nይጠቅም እትብልዎ ጽሑፋት ይኹን ርእይቶታት ምስ እትሰዱልና፡ \n\nትሕዝቶ መርበብና ሃብታም ኪኸውን ይኽእል። ስለ'ዚ ሓገዝኩም ኣይፈለየና።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=1935"} {"headline":"ቴማ ቋንቋ ኣደ","content":"ቴማ ቋንቋ ኣደ\n\nቴማ ቋንቋ ኣደ:\n\nኣብዚ መርበብ'ዚ፡ ብ26 ቋንቋታት፡ ሓበሬታታት ብዛዕባ ቋንቋ ኣደ ይውሃብ። ትግርኛ ሓንቲ ካብ'ዘን ቋንቋታት እዚኣተን ኢያ።\nእዚ ዓይነት መርበብ'ዚ ብትግርኛ ዚውሃብ ዘሎ፡ ንመጀመርታ ግዜ ኢዩ። \nብሃገራዊ ምምሕያሽን ምምዕባልን ትምህርቲ ይምወል። \nብመምህራን ቋንቋ ኣደ ከኣ ይዳሎ።\n\nበብእዋኑ እናማዕበለን እናተለዋወጠን ይኸይድ።\nምእንቲ ኪምዕብል ናይ ኵልና ምትሕብባር የድልዮ።ንዚውሃበና ምኽርን ሓበሬታን ምስ ምስጋና ንቕበል።\n\nመልእኽትኹም በዚ ዚስዕብ ኣድራሻ ክትልእኩልና ትኽእሉ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=1936"} {"headline":"ርሑስ ክረምቲ","content":"ርሑስ ክረምቲ\n\nርሑስ ክረምቲ:\n\nዝኸበርኩም ተኸታተልቲ መርበብና\n\nእንሆ ዓመት ትምህርቲ ፪፬፬፫-፪፬፬፬ ተወዲኡ፥ ክረምቲ ኣትዩ፥ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን።\n\nተመሃሮ ነናይ ሓደ ዓመት ፍልጠት ወሲኾም።\n\nገለ ካብኣቶም ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ፈጺሞም። \"ዝኣከብኩሞ ፍልጠት ንባዕልኻትኩምን ንኣከባቢኹምን ንሃገርናን ንዓለምናን ዚጠቅም ይግበሮ!\"\n\nተባሂሎም ተመሪቖም።\n\nመርበብ ቋንቋ-ኣደ፡ ኣብ ምእታው ቀውዒ፡ ትምህርቲ-ሓዘል መደባቱ ሒዙ ኪመጽእ እናኣተስፈወ፡ \n\nሰናይ ዕረፍቲ ይምነየልኩም። ብሰላም የራኽበና!!!\n\nኣብ ሃገርና \n\nምዕጻው ኣብያተ ትምህርቲ ብኸመይ ይብዓል ነበረ?\n\nኣብ ፵ታትን ፶ታትን \n\nናይ መንግስቲ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ብፍላይ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ከም ኣስመራ፡ ኵለን ብሓባር ኣብ ሓደ ዓቢ ሜዳ ተሰሪዐን፡ በብጽሒተን ብምልዓል፡ ገለ ቤት ትምህርቲ ብመዝሙር፡ ገለ ብትርኢት ምውስዋስ ኣካላት፡ ከምኡ ድማ ብጕያ፡ ብዝላ፡ ብጕስጢ፡ ወዘተ.. ናይ ሓባር ውድድር ብምግባር፡ ይብዓል ነበረ። ነናይ ክፍሎም ብሉጻት ተመሃሮ ኸኣ ካብ ኣመሓደርቲ ብልጫታቶም ይወስዱ ነበሩ።\n\nኣብቲ በዓል ኵሎም ተመሃሮ ብሓባር ዚዝምሩዋ ዝነበሩ መዝሙር:\n\nወላዲትና ዓድና\n\nኣብዛ ዓለም ብመላኣ\n\nንዓናሲ የልቦን ከምኣ\n\nግሩም ጸሓይ ኣብ ዋዒኣ ጥዑም'ውን ኣየራ","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=1937"} {"headline":"ራብዓይ ኣኼባ መርበብ ቋንቋ ኣደ","content":"ራብዓይ ኣኼባ መርበብ ቋንቋ ኣደ\n\nራብዓይ ኣኼባ መርበብ ቋንቋ ኣደ ካብ ዕለት ፪፱-፫፩ ነሓሰ ኣብ ታሊን፡ ርእሲ ከተማ ኤስቶኒያ፡ ተኻዪዱ። እዚ ኣኼባ'ዚ ካብ ምሉእ ሽወደን ዝመጹ መምህራን ቋንቋ ኣደን ሓለፍቶምን ፰፭ ተኻፈልቲ ነይሮምዎ። ብዝሒ መርበብ ቋንቋ ኣደ ክሳዕ ሕጂ ፴ በጺሑ ኣሎ።\n\nኣብ\"ዚ ናይ ሰለስተ መዓልታት ኣኼባ'ዚ፡ ምልውዋጥ ዝተዋህለለ ተኽእሎታት ተኻዪዱ። ሓለፍቲ መርበባት ዝገበሩዎ ሓደስቲ ምዕባለታት ኣርእዮም። ኣብ ርእሲ'ዚ ብዛዕባ ዘሎ ኵነታትት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ኣብ ኵሉ ደረጃታት፡ ካብ መዋእለ ሕጻናት ጀሚርካን መምህራን ቋንቋ ኣደን ተዘትዩ። ሓለፍቲ ቋንቋ ኣደ፡ ብዛዕባ ምምሕያሽ ኵነታት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደን መምህራን ቋንቋ ኣደን ዘሎዎም ሓሳባት ኪዛተይሉን ናብ ሃገራዊ ምምዕባል ትምህርቲ ኬቕርቡዎን ለበዋ ቀሪቡሎም። \n\nኣብ ርእሲ'ዚ፡ ብዛዕባ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ብርሑቕ'ውን ተዘትዩ። ብዛዕባ'ዚ መምህራን ቋንቋ ኣደ ማታር ጃይተህን ምንያ ጸጋይን ሓበሬታ ሂቦም።\n\nተኻፈልቲ ኣኼባ፡ ቅድሚ ኣኼባ ምጅማሮም፡ ነቲ ከተማ ዘይሮሞን ብዛዕባ እቲ ከተማ ዚኣክል ሓበሬታ ተዋሂቡዎምን።\n\nእቲ ኣኼባ ዕዉት ነይሩ። ጻዕሪ ትካል ሃገራዊ ምምዕባል ትምህርቲ፡ ተመሃሮ ሰብ ብዙሕ ቋንቋ ኰይኖም ትምህርቶም ብግቡእ ዜሳልጡሉን ኪዀኑ፡ መምህራን ቋንቋ ኣደ ኸኣ፡ እቲ ዜድልዮም ተወሳኺ ትምህርቲ ወሲዶም ናብ ዝሓሸ ዓይነት ኣሰራርሓ ዚሰግሩሉ መንገዲ ምድላይን ኢዩ። \n\nመርበብ ቋንቋ ኣደ ትግርኛ ኣብ'ዚ ኣኼባ'ዚ ዚካፈል ዘሎ ንሳልሳይ ግዚኡ ኢዩ።\n\nስእላዊ መግለጺ ገለ ካብ'ቲ ዝነበረ ንጥፈታት፡-\n\nኣንበሳን ድብን ወዓግን ወኻርያን\nኣንበሳን ድብን\nነብርን ወኻርያን\nኣቦን ወድን ኣድጎምን\nበቃቕ ኣንጭዋ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=1938"} {"headline":"ትምህርቲ ትግርኛ ብርሑቕ","content":"ትምህርቲ ትግርኛ ብርሑቕ\n\nትምህርቲ ትግርኛ ብርሑቕ:\n\nኣብ ሽወደን፡ ኵሉ ቈልዓ ቋንቋ ኣደኡ ኪምሃር መሰል ኣሎዎ። ግን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ገለ ተመሃሮ ኪምሃሩ ዕድል ኣይረኸቡን። ነዚ መፍትሒ ንምፍጣር፡ \nትካል ምምዕባልን ምምሕያሽን ትምህርቲ ዝሓለፈ ዓመት ንፈተነ ተባሂሉ፡ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ብርሑቕ ብሾብዓተ ቋንቋታት ተዋሂቡ። ሓንቲ ካብ'ዘን ቋንቋታት እዚኣተን ትግርኛ ኢያ። ኣብዚ ፈተነ’ዚ ዝተኻፈሉ ኣብ ክሪስትያንስታድ ዚርከቡ ተመሃሮ ኢዮም። ከምቲ ተሓሲቡዎ ዝነበረ፡ ንዕብይ ዝበሉ ተመሃሮ፡ ብኮምፕዩተር እናተሓገዙ ኪምሃሩ ኢዩ። ግን ኣብኡ ዚርከቡ ተመሃሮ ካብ ደቂ ፮ ዓመት ክሳዕ ፮ይ ክፍሊ ዚምሃሩ ኢዮም ነይሮም። ካብቶም ዝተመዝገቡ ፪፯ ተመሃሮ ፩፱ ተኻፊሎሞ። ነቲ ነገር ንምቅላል፡ መምህር ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ እናኸዶም፡ ዝተረፈ ግዜኦም ከኣ ብወለዶም እናተሓገዙ ኪምሃሩ ጸኒሖም። እዚ ቀዳማይ ፈተነ’ዚ ዝሓለፈ ሰሙን ተዛዚሙ። \nኣብቲ መዛዘሚ መዓልቲ፡ ኣኼባ ስድራ-ቤት ተገይሩ። ነቲ ዝሓለፈ ትምህርቲ ገምጋም ተገይሩሉ። ስድራ-ቤታት በቲ ዝተዋህበ ትምህርቲ ሕጉሳት ከም ዝዀኑ ገሊጾም። ግን ሓደ ግዜ ኣብ ወርሒ ኣዝዩ ውሑድ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ኪረኽቦም ዚኽእል መምህር ኪግበረሎም፡ እቲ ዝጸንሐ መምህር ከኣ፡ ኪህቦም ዝጸንሐ ኣመሃህራ መታን ከይቋረጾም፡ ገለ ገለ መዓልታት እናመጸ ሓገዙ ኬወፍየሎም ሓቲቶም። \nስድራ-ቤታትን ኣካየድቲ ስራሕን በቲ ዝቐረበ ሓሳባት ተሰማሚዖም፡ ተመሳጊኖም ተፈላልዮም። ቀጻሊ ትምህርቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ኪጅመር ኢዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=1939"} {"headline":"ቈላ","content":"ቈላ\n\nቈላ:\n\nእዚ እቲ ካብ ፬ ክሳብ ፩፶፬()ሜ. ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ዘሎ ቦታ ኢዩ። እዚ ቦታታት እዚ ውዑይ ኢዩ። ብፍላይ ኣብ ግዜ ክረምቲ ኣዝዩ ውዑይ ኢዩ። ንኣብነት ኣብ ዓሰብ ክሳዕ ፶፭°C ዝተመዝገበሉ እዋን ኣሎ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=1940"} {"headline":"ደጋ","content":"ደጋ\n\nእቲ ካብ ፪፬፬፬(፳፻፬፻፵፬) ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ንላዕሊ ዘሎ ቦታ ደጋ ይብሃል። እዚ ቦታታት እዚ ምስቲ ካልእ ቦታታት ኤርትራ ኣነጻጺርካ ዝሑል ኢዩ። ኣብ እዋን ቀውዕን ሓጋይን፡ ኣብ ለይቲ ክሳዕ ፭°C ኣቢሉ ይብጽሕ። ብመዓልቲ ግን ካብ ፩፭°C ንላዕሊ ኢዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=1942"} {"headline":"ብመምህር ፍስሃየ ባህታ","content":"ብመምህር ፍስሃየ ባህታ\n\nብመምህር ፍስሃየ ባህታ (ወዲ ዓዲ):\n\nኣንበሳ እቲ \" ንጉስ እንስሳ\" ተባሂሉ ዚጽዋዕ እንስሳ በረኻ ኢዩ። ቀደም፡ ኣንበሳ ኣብ ኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ እስያን ኣብ ገለ ቦታታት ኤውሮጳን'ውን ይነብር ነበረ። ኣብ'ዚ ዘለናዮ እዋን ግን፡ ኣናብስ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ከይበርስ ተባሂሉ ዝተሓዝአ፡ ሃድን ከኣ ዘይፍቀዶ ቦታታት ጥራይ ኢዮም ዚርከቡ። \n\nተባዕታይ ኣንበሳ እቲ ዝሓየለን ግርማ ዘሎዎን እንስሳ ኢዩ። ሓደ ኣንበሳ፡ ኣብ'ቲ ብጹሕ ዕድመኡ፡ ምስ'ቲ ጽቡቕ ጸጕሩ፡ ኣዝዩ ግርማ ዝመልኦ ትርኢት ኣሎዎ። ሓደ ንእሽቶ - እቲ 'ሽደን' ኢልና እንጽውዖ'ውን ጸጕራም ኢዩ። ኣንበሳ ኣብ ግዜ እርጋኑ፡ ሕብሩ እናቐየረ፡ ማለት እናጸለመ'ውን ይኸይድ'ዩ። \n\nተባዕታይ ኣንበሳ ንውሓቱ ( ካብ ርእሱ ክሳብ ጭራኡ) 2,5 ሜ. ኣቢሉ ይበጽሕ። ቍመቱ ( ካብ ርእሱ ክሳብ እግሩ) ከኣ ካብ 1,2 ሜ. ንላዕሊ ኢዩ። ኣንስተይቲ ኣንበሳ (ዋዕሮ) ግን ካብኡ ትንእስ። ክብደቶም ካብ 125 - 250 ኪ.ግ. ኢዩ።\n\nSection::::ምፍራይ.\nኣናብስ፡ ደቂ ክልተ ዓመት ምስ ኰኑ ኪወልዱ ይኽእሉ። ምልኦ ዋዕሮ ካብ 105 ክሳዕ 112 መዓልታት ኢዩ። ካብ ክልተ ክሳብ ሓሙሽተ ኰራኵር ክትወልድ ትኽእል። ኣብ ከክልተ ዓመት ትወልድ። እዋን ሕርሳ ምስ ኣኸለ፡ ሓደ ምቹእ ቦታ ትመርጽ። እዚ ቦታ'ዚ ጸላእቲ ብቐሊል ዘይረኽቡዎን ጥቓ ማይ ዘሎዎን ኪኸውን ትመርጽ።\n\nደቃ ኪውለዱ ከለዉ፡ ዓይኖም ኣይርእን'ዩ። ጸጕሮም ከኣ ነቝጣ ነቝጣ ኢዩ። ንኽልተ ኣዋርሕ ካብ ጡብ ኣዲኦም ጥራይ ኢዮም ዚምገቡ። ደቂ ሽዱሽተ ሰሙን ምስ ኰኑ፡ ናብቲ ዚብላዕ ዘሎዎ ቦታ ምስ ኣዲኦም ይስዕቡ። \n\nኰራኵር ኣናብስ፡ ሓደ ዓመት ከይገበሩ ኣስናኖም ስለ ዘይድልድል ባዕላቶም ስጋ ኪምንጭቱ ኣይክእሉን ኢዮም። ስለ'ዚ መግቢ ካብ ኣደኦም ኢዮም ዚጽበዩ። ቀስ ብቐስ ግን ከመይ ጌርካ ከም ዚህደን ይምሃሩ እሞ፡ ደቂ 15 ኣዋርሕ ኣቢሎም ምስ ኰኑ፡ ባዕላቶም ነኣሽቱ እንስሳታት ኪሃድኑ ይጅምሩ። ደቂ ክልተ ዓመት ምስ ኰኑ፡ ኣደኦም መሊሳ መላእ ስለ እትኸውን ኪገድፉዋ ኣሎዎም። ገለ ካብተን ኣንስትዮ ደቃ ኪጸንሓ ይፍቀደለን። እቶም ተባዕትዮ ግን ካብቲ ዕስለ ኬልግሱ ይግደዱ።\n\nSection::::ሃድን.\nኣናብስ ኣብ ግዜ ጸሓይ ዕራርቦ ኢዮም ዚሃድኑ። ኣብ እዋን ቀትሪ ግን ይድቅሱ። ኣናብስ ብለይቲ ናይ ምርኣይ ክእለት ኣሎዎም። ስለ'ዚ ከኣ ብጸልማት ኪሃድኑ ኣይጽገሙን። ተባዕታይ ኣንበሳ ባዕሉ ኣይሃድንን ኢዩ። ምስ ክብደቱ ኣነጻጺርካ ልቡ ንእሽቶ ኢያ። ስለ'ዚ ቍሩብ ምስ ጐየየ ቀልጢፉ ይደክም። እተን ዚሃድና ኣንስትዮ ኢየን። ነቲ ዝተሃድነ ብቐዳምነት ኪበልዖ ዚጅምር ግን እቲ ተባዕታይ ኢዩ። ንሱ፡ በሊዑ ምስ ጸገበ ነተን ኣንስትዮን ደቀነን ኪበልዑ ይፈቕደሎም።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=1943"} {"headline":"ኣነባብራ","content":"ኣነባብራ\n\nኣነባብራ ኣናብስ ከም ሓደ ዓቢ ስድራ-ቤት ኰይኖም ኢዮም ዚነብሩ። ሓንቲ ጕጅለ ወይ ዕስለ ካብ 20 - 30 ዚዀኑ ኣናብስ ይህልዉዋ። ሓደ ተባዕታይ ጥራይ ከኣ ይህሉዋ። ኣብ ገሊአን ጕጅለታት ግን ክሳብ ኣርባዕተ ተባዕትዮ ኪርከቡ ይኽእሉ። እዚኣቶም ግን ወይ ኣሕዋት ወይ ከም ኣሕዋት ኰይኖም ዚነብሩ ኢዮም። እቲ መራሒ ግን ኵሉ ግዜ ሓደ ኢዩ። እቶም ካልኦት ናቱ ተኣዘዝቲ ኢዮም።\n\nኣንበሳ ነቲ ሕዙእ ቦታ ናይ'ታ ወገኑ ኣጽኒዑ ይሕዝ። ካልእ ተባዕታይ ኣንበሳ ኣብ'ቲ ቦታኡ ኪኣቱ ኣይፍቀደሉን። እተን ዋዕሮታት እንተዀና'ውን ካልኦት ዋዕሮታት ኪኣትወአን ኣይፈቕዳን። እንተ ኣትዮሞም ግን ዓቢ ባእሲ ይልዓል። ክሳዕ ዚዳኸሙ ከኣ ይቃለሱ። ሽዑ እቲ ዝሰዓረ ነታ ዕስለ ይውንና፡ እቲ ዝተሳዕረ ኣንበሳ ከኣ ካብኣ ይስጐጕ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=1944"} {"headline":"ብተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ቡሰንሁስ","content":"ብተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ቡሰንሁስ\n\nብተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ቡሰንሁስ:\n\nኣብ ሓደ ቦታ፡ ኣብ ኣፍሪቃ፡ \nብዙሓት እንስሳታት ነበሩ። \nሓደ ግዜ ማይ ኪሰትዩ ኣብ ሓደ ሩባ ተራኸቡ። \nማይ ምስ ሰተዩ ኬዕርፉ ኮፍ በሉ። \nነብሪ ግን ምስኣቶም ኣይነበረን። \nቍርብ ጽንሕ ምስ በሉ፡ ኣንበሳ ነገር ደለየ። \n\" ካብ ኵሎም እንስሳታት መን'ዩ ሓያል? \" ኢሉ ሓተቶም። \nኵሎም ፈሪሖም ንስኻ! ንስኻ በሉዎ። ወኻርያ ግን ኣይመለሰትሉን።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=1945"} {"headline":"ሓረጋት","content":"ሓረጋት\n\nሓረጋት:\n\nንበቡ!\n\nእቲ ወዲ'ቲ\n\nእታ ጓል'ቲኣ\n\nእቶም ዓቢ ሰብኣይ\n\nእተን ዓባይ ሰበይቲ\n\nትማሊ ዝረአናዮ ወዲ\n\nጽባሕ እንኸዶ ቦታ\n\nድሕረይ ዝነበረት ጓል\n\nቅድመኻ ዝነበረ ቈልዓ\n\nእቲ ሕሱም ከልቢ\n\nእዘን ክልተ ኣዋልድ\n\nንሕናን ንሳቶምን\n\nሓጺርን ረጒድን\n\nነዊሕን ቀጢንን\n\nህዉኽን ቅልጡፍን\n\nእናጐየየ ከይዱ\n\nእናዘለለ መጺኡ\n\nእናበልዐ የንብብ\n\nእናጸሓፈ ይዛረብ\n\nብየማኑን ብጸጋሙን\n\nብላዕልን ብታሕትን\n\nሰማይን ምድርን\n\nኣብ ዓድን ኣብ ባሕርን\n\nንፉዕ ምስ ሕማቕ\n\nዓቃል ምስ ህዉኽ\n\nዝሑል ምስ ውዑይ\n\nብሩኽዶ ርጉም\n\nጥዑይዶ ሕሙም\n\nህኩይዶ ትጉህ\n\nዝተሰብረ ምዕራይ\n\nዝረስሐ ምጽራይ\nበቃቕ ኣንጭዋ\n\nነብርን ወኻርያን\nኣንበሳን ድብን\nኣቦን ወድን ኣድጎምን\nኣንበሳን ኣንጭዋን\nዘይሓስብ ነጋዳይ\n\nፈታው ወርቂ ንጉስ\nዳሞንን ፒቲያስን\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=1946"} {"headline":"ሕንቅል ሕንቅሊተይ","content":"ሕንቅል ሕንቅሊተይ\n\nሕንቅል ሕንቅሊተይ እዚ ሕንቅል ሕንቅሊተይ ዝጸንሐ ያታ ኢዩ። ንሕና ዓበይቲ ብነኣሽቱና ተጻዊትናሉ። ናብ ደቅና ከነሕልፎ ከኣ ሓላፍነትና ኢዩ። ብዙሕ ዝተረስዐ ስለ ዘሎ፡ ዝዘከርኩምዎ ኵሉ ነዚ መርበብ እንተለኣኽኩምሉ \n\n- በል ኣድርረኒ፡\n- ብምንታይ፧ \n\n- ብገዓት ጠስሚ\n- ተደረር።\n\n- እዝኒ ኢያ።\n\n1. ዓይኒ ከለዋ ዘይትርኢ።\n\n2. እዝኒ ከለዋ ዘይትሰምዕ።\n\n5. ኣቦይ ዝሃቡኒ መንበር፡ ወዲቓ ዘይትስበር፡ ሞይታ ዘይትቕበር።\n\n6. ንግሆ በርባዕተ፡ ቀትሪ ብኽልተ፡ ምሸት ብሰለስተ ዚኸይድ።\n\n7. ንዅሉ እትኸድን ገረብ።\n\n8. ኣብ ውሽጢ በዓቲ ለይለይ ትብል።\n\n9. ዝሃብካያ እትበልዕ፡ ማይ እንተስተኻያ እትመውት።\n\n10. ካብ 12 ኣዋርሕ እታ ዝነውሐት።\n\n11. ምሳይ ኪኸይድ ዚውዕል ግን ምሳይ ገዛ ዘይኣቱ።\n\n12. ዝያዳ እንተ ወሰድካላ ዝያዳ እትዓቢ።\n\n14. ደድሕሪ እንስሳ ዚኸይድ።\n\n15. ብዙሕ ግዜ ዚወድቕ ግን ዘይትንስእ።\n\n16. ዝያዳ ትህባ ዝያዳ ትጠሚ፡ በሊዓ ምስ ወደአት ከኣ ትመውት።\n\n17. መግቢ ዝመልአት ንእስቶ ገዛ፡ ረቂቕ መንደቓ፡ ናሕሲ ይኹን ማዕጾ ዘይብላ።\n\n18. ክሳድ ዘሎዋ ግን ርእሲ ዘይብላ።\n\n19. ንዅሉ ዚርእያ ነንሕድሕደን ግን ዘይረኣኣያ።\n\n20. ምእንቲ ክትሪኦ ክትዕመት ዘሎካ።\n\n21. ኣስናን ዘሎዎ ግን ኪነክስ ወይ ኪሕይኽ ዘይክእል።\n\n22. ዝጠወኻ ኣንተጠወኻ ንቕድሚት ጥራይ ዚርኢ።\n\n23. ንታሕቲ ገጹ ዚፈስስ ግን ነፍንጫ ዜርክባ።\n\n24. ስዲ ከይተበሃልካ መልሓስካ ከተውጽኣሉ እትኽእል።\n\n25. ኵሉ ዚሰምዕ ግን ዋላ ሓንቲ ዘይብል።\n\n26. ከተዕርፍ ከለኻ ዚሰርሕ፡ ክትሰርሕ ከለካ ዜዕርፍ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=1947"} {"headline":"ዓለም-ለኻዊ መዓልቲ ቋንቋ ኣደ ፪፬፬፮","content":"ዓለም-ለኻዊ መዓልቲ ቋንቋ ኣደ ፪፬፬፮\n\n፪፩ የካቲት ዓለም-ለኻዊ መዓልቲ ቋንቋ ኣደ ኢዩ። እዚ መዓልቲ እዚ ብ፩፱፱፱ ብዩነስኮ (UNESCO) ዝተሓንጸጸ ኢዩ። ዕላማኡ፡ ኣብ ዓለም ምሉእ ዘሎ ሰብ ቋንቋኡ ኪጥቀምን ብቋንቋኡ ኪጥቀም ዕድል ኪረክብን ንምትብባዕ ኢዩ።\n\nበዚ ምኽንያት፡ ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ገለ ቋንቋታት ንኸይጠፍኣ ንምክልኻል፡ ብቛንቋ ኣደኻ ክትምሃር ምእንቲ ኪክኣልን ኣብ መንጎ ብዙሓት ባህልታት ምርድዳእ ኪህሉን ብዜመልክት ዝተፈላለየ መደባት ከቢሩ ይውዕል። \n\nእዚ ትካል'ዚ ንሻብዓይ ግዜኡ ኢዩ ዜብዕሎ ዘሎ። ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ሽወደን፡ ብዝተፈላልየ መገዲ ከቢሩ ውዒሉ። ከም ኣብነት፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዩልስታ ብዓቢ ድምቀት ከቢሩ ኣምስዩ። \n\nእዚ በዓል'ዚ ብክልት፫ ተማሃሮ ኢዩ ተኸፊቱ። ሓለቓ ቤት ትምህርቲ ዩልስታ፡ ኤልሳቤጥ ከኣ ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ተዓዛቢ፡ \" እንቋዕ ብደሓን ምጻእኩም። ቤት ትምህርትና፡ ካብ ዝተፈላለየ ወገናት ዓለም ዝመጹን ዝተፈላለየ ቋንቋታት ዚዛረቡን ተመሃሮ ዝሓቘፈ ቤት ትምህርቲ ብምዃኑ ብዙሕ የሐብነናን የሐጕሰናን፡ ስል ዝዀነ ከኣ፡ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ከነኽብራ ይግባእ\" ድሕሪ ምባላ ነቲ መድረኽ ነቶም ነቲ በዓል ዚመርሓ ዝነበራ ተመሃሮ ኣተሓላሊፋትለን። \n\nነቲ በዓል ተመሃሮ ጥራይ ዘይኰኑ፡ ወለዶምን ናእሽቱ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን እውን ተኻፊሎሞ። እዚ ብብዙሓት ስድራ-ቤታት ዝደመቐ በዓል፡ ነታ ቤት ትምህርቲ ብፍላይን፡ ንሽወደን ድማ ብሓፈሻኡን፡ ብዝሐ ባህላውያን ገይሩወን ኣምስዩ። ተመሃሮ፡ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ግጥምታት ነቢቦም።\n\nነፍሲ ወከፍ ጕጅለ ተመሃሮ ነናይ ሃገሮምን ባህሎምን ሳዕስዒታት ኣብ ዘርአዩሉ እዋን፣ በቶም ጕጅለ ጥራይ ከይተወሰነ፡ ካብ ካልኦት ጕጅለታት'ውን ዘዘሊሎም ናብ ስዕስዒት እናተሓወሱዎም፣ ሓደ ዓቢን ናይ ሓባርን ባህሊ መሲሉ ኣምስዩ። \n\nቋንቋ ትግርኛ'ውን ሓንቲ ካብዘን ቋንቋታት እዚኣተን ኰይና ኣምስያ። ተመሃሪት ልዋም ተስፋይ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ግጥሚ ነቢባቶ።ትዕግስቲ ኣብራሃን ልዋም ፍትዊን ከኣ ናብ ቋንቋ ሽወደን ተጒመናኦ። ተመሃሮ ትግርኛ፡ ብቛንቛ ትግርኛ ኪዛረቡን ኪነቡን ከለው፡ ባህላዊ ሳዕሲዒቶም ኪስዕስዑ ከለውን ክትርኢ ኣዝዩ የሐጕስ። ብዝያዳ ንኺምዕብል ግን ሓገዝ ወለዲ የድልዮ።\n\nወረጃን ሓጎስ ዝመልኦን ምሸት! ኣገናዕ!!!\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=1948"} {"headline":"ብልዋም ተስፋይ","content":"ብልዋም ተስፋይ\n\nብልዋም ተስፋይ:\n\nሓደ ግዜ ወኻርያን ራዛን ጐረባብቲ ነበራ። ሓደ መዓልቲ ወኻርያ ንራዛ ኣብ ግዜ ምሳሕ ዓደመታ። ራዛ ከኣ ክትምሳሕ መጸት። ጐራሕ ወኻርያ፡ ጽቡቕ ምሳሕ ኣብ ሓደ ገፊሕን ጸፊሕን ሸሓኒ ቀረበትላ። መስኪነይቲ ራዛ ኣፋ ነዊሕ ስለ ዝዀነ ንምብላዕ ጸገማ። ጐራሕ ወኻርያ ንበይና ንዅሉ እቲ መግቢ በልዓቶ። \n\nዝገበረቶ ከየሕፈራ ኸኣ ንራዛ እናላገጸት፡ ፍቕርቲ ጐረበተይ ብዙሕ ስለ ዘይበላዕኪ ሕዝንቲ ኢየ በለታ። \n\nራዛ ዘረባኣ ምስ ሰምዐት፡ ኣይኰነን ኣነ ጽቡቕ ምሳሕ በሊዐ፡ የቐንየለይ መሓዛይ። ንስኺ ከኣ ጽባሕ ኣብ ገዛይ ምሳይ ክትምስሒ ዓዲመኪ ኣለኹ በለታ።\n\nንጽባሒቱ ጐራሕ ወኻርያ ከም ውዕላ ናብ እንዳ ገረቤታ ከደት። ራዛ ከኣ ጽቡቅ ምሳሕ ኣብ ሓደ ነዊሕ ዝኽሳዱ ጥርሙዝ ቀሪባ ኣዳልያ ጸንሓታ። \n\nመኣዲ ምስ ተቐረበ ራዛ ኣጸቢቓ በልዐት። ወኻርያ ግና ኣፋ ኣልሚጻ ተረፈት። ሽዑ ወኻርያ በደላ ተፈለጣ። ርእሳ ኣድኒና ኣውን ከደት። ራዛ ከኣ ብልባ ከምዚ ኢያ ዝገበርክኒ ኢላ ስቕ በለት።\n\nእዚ እንተረሲዕኩም ሞት ትረስዕኩም።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=1949"} {"headline":"ብዮሃና ፍስሃየ","content":"ብዮሃና ፍስሃየ\n\nብዮሃና ፍስሃየ:\n\nሓደ መዓልቲ ሓንቲ ማንቲል ካሮቲ ክትደሊ ወጺኣ። \n\nሽዑ ሓደ ጐብየ ረኺባ።\n\nጐብየ - እንታይ ትደልዪ ኣለኺ?\n\nማንቲለ - ኣይግድሸካን ኢዩ!\n\nጐብየ - ካሮቲ ምሽ! ክትቅልጥፊ ኣለኪ!\n\nማንቲለ - ንስኻ ትቕልጥፍ ማለት ድዩ? ክንወዳደር ጽባሕ ሰዓት ሰለስተ ኣብዚ ንራኸብ።\n\nጐብየ - ሕራይ!\n\nንጽባሒቱ ንግሆ ጐብየ ተሲኡ ስፖርት ጌሩ፡ ማንቲለ ግን ደቂሳ ስለ ትስዕር መሲሉዋ። ሰዓት ሰለስተ ምስ ኮነ ተራኺቦም። ማንቲለ ኩለን ትፈልጠን ማንቲለታት ኣምጺኣተን፡ መታን ምስ ደኸመት ክሕግዛኣ። ኩለን ማንቲለታት ድሕሪ ስንጽሮታትን ገረብን ተሓቢአን መታን ጐብየ ከይርእየን።\n\nተዅላ ነቲ ቅድድም ጀሚሩሎም።\n\nተዅላ - ሰለስተ! ክልተ! ሓደ! ንቐሉ!\n\nሽዑ ነቒሎም። ኩለን ማንቲለታት እታ ሓንቲ ማንቲለ ክትመጽእ እናተጸበያ በብተራ ጐየን። ጐብየ ስቕ ኢላ ጐያ ጐያ። ኩለን ማንቲለታት በብተራ ምስ ጐየያ እታ ሓንቲ ጠፊኣ። ሽዑ ጐብየ ሓሊፋተን ከይዳ። ስዒራ!","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=1950"} {"headline":"ድርብ ቋንቋነት","content":"ድርብ ቋንቋነት\n\nድርብ ቋንቋነት:\n\nዝበዝሑ ህዝብታት ዓለም ሰብ ድርብ ወይ ብዙሕ ቋንቋ ኢዮም። \n\nድርብ ወይ ብዝሐ-ቋንቋ ንውልቀ-ሰብ ይኹን ንሕብረተ-ሰብ ኣዝዩ ጠቓሚ ኢዩ። ካብ ሓደ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ዝቐየሩ ስድራቤታት፡ ቋንቋ ኣደኦም ምስ ዚዕቅቡ ምስ ሃገሮም ርክቦም ኪቕጽሉ ዝቐለል ይዀነሎም። ካብ ከምዚኦም ዓይነት ስድራ-ቤታት ዝተወልዱ ቈልዑ፡ ቋንቋ ስድራኦም ኪዛረቡ ዚኽእሉ ምስ ዝዀኑ፡ ባህሊ ስድራ-ቤቶም ንኺቕበሉ ዝዓበየ ዕድል ኣሎዎም። \n\nድርብ ቋንቋ ዘሎዎም ሰባት፡ ጥቕሚ ብዝሐ-ባህልታት ብቐሊሉ የስተ ማቕሩ፡ ሰፊሕ ኣረኣኣያ ዓለም ኪፈጥሩ ከኣ ይኽእሉ።\n\nቋንቋ ኣደ፡ ንርክብ ኣብ መንጎ ስድራቤታትን ኣዝማድን፡ ንቘልዑ ከኣ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም መንነትን ዝምድናን ርግጸኛታት ኪዀኑን ኣዝዩ ጠቓሚ ኢዩ። \n\nኵሎም ቘልዑ ክልተ ወይ ዝያዳ ቋንቋታት ኣብ ሓደ ግዜ ኬጽንዑ ይኽእሉ ኢዮም። ግን ንኽልቲኡ ቋንቋታት ብማዕረ ዚኽእሉዎ ሳሕቲ ኢዩ።\n\nቈልዓ፡ ንኽልቲኡ ቋንቋታት ብዝለ ዓለ ደረጃ መታን ኬማዕብሎ፡ ሓገዝ ስድራ-ቤትን ቅድመ ትምህ ርትን ቤት ትምህርትን የድሊ። ምስቲ ቘልዓ ርክብ ዘሎዎም ዓበይቲ፡ እቲ ቘልዓ ቋንቋ ኣደኡ ንኺጥቀም ብዝተፈላለየ መንገዲ ኬተባብዑዎን ኪድግፉዎን ኣድላዪ ኢዩ።\n\nቋንቋ ውሑዳን ብምጥቃም- ኣብ ስድራ-ቤታት ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ቦታ መጻወቲ፡ ኣብ ቅድመ ትምህርቲ፡ ኣብ ክፍልን ኣብ ስራሕን - ስድራ ቤታትን መምህራንን ነቲ ቘልዓ ብዝሐ ቋንቋ ምህላው ባህርያዊ ከም ዝዀነ ብጭቡጥ ኬርእዩዎ ይኽእሉ። ድርብ-ቋንቋነት ብዙሕ ኣወንታዊ ነገራት ስለ ዘሎዎ፣መብዛሕትኦም ክልተ ወይ ሓያለ ቋንቋ ዘሎዎም ስድራ-ቤታት ነዞም ቋንቋታት’ዚኣቶም ኬልግሱዎም ኢልካ ምሕሳብ ብፍጹም ዘይክኣል’ዩ።\n\nእቲ ዝተረፈ ሕብረተ-ሰብ፡ ሰባት ብብዙሕ ቋንቋታት ምዝራቦም ብኣወን ታዊ ዓይኒ ምስ ዚርእዮ፣ ምዕባሌ ክልተ ቋንቋ ይቐልል።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=1952"} {"headline":"ንምዕባለ ቋንቋ ሽወደን ውላደይ","content":"ንምዕባለ ቋንቋ ሽወደን ውላደይ\n\nንምዕባለ ቋንቋ ሽወደን ውላደይ:\n\nብኸመይ ክድግፎ እኽእል?\n\nእቲ ጽቡቕ መሰረት መማዕበሊ ቋንቋ ሽወደን ናይ ሓደ ቈልዓ፡ ጽቡቕ ምትሕብባር ኣብ መንጎ ቅድመ-ትምህርትን ቤት-ትምህርትን ወለድን'ዩ። ቅድመ-ትምህርትን ቤት-ትምህርትን ኣብ ናይቲ ቈልዓ ምምዕባል ቋንቋ ሽወደን ዓቢ ሓላፍነት ኣሎዎ። ስድራቤት’ውን ብዝተፈላለየ መንገዲ፡ ብዝያዳ ኸኣ ኣብ ናይ’ቲ ቈልዓ ስራሕ ትምህርቲ፡ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ብምትብባዕ፡ ኪሕግዙ ይኽእሉ። ዋላ እቶም ወለዲ ቋንቋ ሽወደን ብዙሕ ዘይክእሉ እንተዀኑ’ውን፣ ኣብ ናይ’ቲ ተመሃራይ ዕዮ-ቤት ኪሕግዙ ይኽእሉ። \n\nብዙሓት ወለዲ፡ ደቆም ምስኣቶም ዚጻወቱ ሽወደናውያን መሓዙት እንተዘይብሎም ከመይ ገይሮም ቋንቋ ሽወደን ኪምሃሩ ይኽእሉ ዚብል ሕቶ ኣሎዎም። ወለዲ ኪሓስቡለን ዘሎዎም ብውሑድ ክልተ ነጥብታት ኣለዋ። እታ ቀዳመይቲ፡ እቲ ቈልዓ ብዝተፈላለየ መንገዲ ሽወደን ዚዛረቡ ሰባት ኪረኽበሉ ዚኽእል ዕድላት ኪርከበሉ፤ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ከኣ፡ እቲ ቈልዓ ምስ ካልኦት መሓዙትን ዓበይትን - ቋንቋኦም ሽወደን ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ - ቋንቋ ሽወደን ኪጥቀመሉ ዚኽእል ዕድላት ኪረክብ ኢዩ። ንኣብነት ወለዲ እቲ ቈልዓ፡ ሽወደን ዚዛረቡ ቈልዑ ኣብ ዚርከቡዎ ምንቅስቓሳት ከም ኵዕሶ እግሪ፡ መዝሙር፡ ሳዕስዒት ወዘተ… ኪካፈል ኬተባብዑዎ የድሊ። \n\nእታ ካልኣይቲ፡ ነቲ ቈልዓ፡ ኣየናይ ቅድመ-ትምህርትን ቤት-ትምህርትን ከም ዚሰማምዖ ኣብ ግምት ምእታው ኢዩ። እቶም ወለዲ፡ እቶም ኣብ ቅድመ-ትምህርትን ቤት-ትምህርትን ዘለዉ መምህራን፡ ሰፊሕ ፍልጠትን ንቕሓትን ናይ ምዕባለ ድርብ ቋንቋ፡ ትምህርቲ ካልኣይ ቋንቋን ቈልዑ ንኻልኣይ ቋንቋ ከመይ ከም ዚምሃሩን ዚፈልጡ ኪዀኑ ኪጠልቡ መሰል ኣሎዎም። ከምኡ’ውን ወለዲ፡ መምህራን ንናይ ደቆም ቋንቋ ኣደን ሽወ ደንን ብዜማዕብል መንገዲ ዚሰርሑ ኪዀኑ ኪጠልቡ መሰል ኣሎዎም።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=1953"} {"headline":"ውላደይ ኣብ ቅድመ-ትምህርቲ ምዝራብ እንተ","content":"ውላደይ ኣብ ቅድመ-ትምህርቲ ምዝራብ እንተ\n\nውላደይ ኣብ ቅድመ-ትምህርቲ ምዝራብ እንተ:\n\nኣቋረጾ፡ እንታይ ክገብር?\n\nቍሩብ ጽንሕ በል እሞ ተዓዘብ። ኣብ ገለ እዋን፡ ቈልዑ ኣብ’ቲ ቋንቋ ኣደኦም ዘይዝውተሮ ቅድመ ትምህርቲ ምስ ጀመሩ፡ “እዋን ስቕታ” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ተረኽቦ የጋጥም ኢዩ። እቲ ቈልዓ ኸኣ ንነዊሕ እዋን ብሽወደን ሓንቲ ቃል እኳ ኣየውጽእን። ኣብ’ዚ እዋን”ዚ፡ ብኻልእ ኵነታቶም፡ ቅሱናት፣ ብኻልእ ኣገባብ ድማ ሓሳባቶም ዚገልጹ - ንኣብነት ንዝደለዩዎ እናኣርኣዩን እናኣመልከቱን - ኣብ ቤቶም ከኣ ብቋንቋ ኣደኦም ምዝራብ እንተ ዘየቋሪጾም፣ ጸገም የለን ማለት’ዩ። ቅልጡፍ ምልክት እኳ እንተ ዘይተራእየ፡ ኵሉ ግዜ ፍልጠት ናይ’ቲ ሓዲሽ ቋንቋ እናኣዋህለሉ ኢዮም ዚኸዱ። ቈልዑ ድሕሪ’ቲ “እዋን ስቕታ”፡ እኹል ፍልጠት ናይ’ቲ ሓዲሽ ቋንቋ ምስ ኣዋህለሉ ኢዮም ኪዛረቡ ዚጅምሩ። ብዝዀነ ነኣሽቱ ቈልዑ፡ ቋንቋ ኣደኦም ኣብ ቤት ትምህርቲ ቅቡልን ዚዝረበሉን ምዃኑ ምስ ተዓዘቡ ኢዮም ፍዅስ ዚብለሎም።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=1954"} {"headline":"ውላደይ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ንቋንቋ-ኣደ","content":"ውላደይ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ንቋንቋ-ኣደ\n\nውላደይ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ንቋንቋ-ኣደ:\n\nከም ዓይነት ትምህርቲ ኪምሃሮዶ?\n\nምርምር ከም ዜርእዮ፡ ብቛንቋ ኣደኦም ምንባብን ምጽሓፍን ተማሂሮም ዝጸንሑ ሰብ ድርበ-ቋንቋ ቈልዑ፡ ነቲ ቋንቋኦም ምምዕባሉን ምዕቃቡን ይቐለሎም። ኵሎም ቈልዑ በቲ ዝሓየለ ቋንቋኦም ኬንብቡን ኪጽሕፉን እንተ ዚምሃሩ እቲ ዝበለጸ ምዀነ። እዚ ኸኣ ቋንቋ ኣደኦም’ዩ። ብሓደ ቋንቋ ምንባብን ምጽሓፍን ምኽኣል፡ ካልእ ቋንቋ ከተንብብ ንምምሃር ዝቐለለ ይኸውን። ቈልዑ ኣብ ሓደ እዋን ሓያለ ቋንቋታት ምንባብን ምጽሓፍን ኪምሃሩ’ውን ይኽእሉ’ዮም። ኣብቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዚውሃብ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ፡ ቈልዓ ብቛንቋ ኣደኡ ምንባብን ምጽሓፍን ናይ ምምሃር ተኽእሎ ኣሎዎ። ንኣብነት ደብዳበ ብምጽሓፍን፡ መጻሕ ፍቲ ይኹን ካልኦት ጽሑፋት ብምንባብን፡ ርክብ ምስ መበቈል ሃገሩ ኪቕጽልን ኬዛይድን ይኽእል። \n\nቈልዓ ኣብ ቤት ትምህርቱ መሰል ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ኣሎዎ። ሓደ ጕጅለ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ንምምስራት፡ ኣብ ዞባኦም ብውሑድ ሓሙሽተ ተመሃሮ ኪህልዉ ኣሎዎም። ሓደ ቋንቋ ዘሎዎም ቈልዑ ኣብ በበይነን ኣብያተ ትምህርቲ ዚምሃሩ እንተ ዀይኖም፣ ኣብ’ቲ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ዚውሃበሉ ግዜ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ይእከቡ። እቲ ትምህርቲ ብነጻ ድሌት’ዩ ዚውሃብ፤ ስለዚ ወለዲ ውላዶም ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ኪምሃር ዚደልዩ እንተዀይኖም፡ ንቤት ትምህርቲ ኬመልክቱ ኣሎዎም። እቲ ቈልዓ ቋንቋ ሽወደን ኣጸቢቑ ዘይመልኽ ምስ ዚኸውን፡ ብቛንቋ ኣደኡ ሓገዝ ትምህርቲ ኪረክብ መሰል ኣሎዎ። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ ቈልዓ ኣብ በበይኑ ዓይነታት ትምህርቲ ብመምህር ቋንቋ-ኣደኡ ሓገዝ ይረክብ ማለት ኢዩ። መምህር፡ ንትሕዝቶ ናይ’ቲ መማህ ርቱ ዚምሃሩዎ ትምህርቲ፡ ብቛንቋ ኣደኡ የረድኦን ኣብ መጽናዕቱ ይሕግዞን። ነቲ ቈልዓ ሓገዝ ትምህርቲ ብቛንቋ ኣደኡ ዜድልዮ እንተ ዀይኑ እቲ ቤት ትምህርቲ ይውስን። \n\nቋንቋ ኣደ ብኻልእ ኣገባብ’ውን ክትምሃሮ ይክኣል’ዩ። ንዚውሃቡ ኣገልግሎታትን እንታይ ማለት ምዃኖም ንምፍላጥን ንቤት ትምህርቲ ኪሕተት ይክኣል። \n\nንገለ ጕጅለ ቋንቋታትን ኣብ ገለ ቦታታትን ብመልክዕ ድርበ-ቋንቋዊ ክፍልታት ወይ ናብ ሓደ ቋንቋ ዘድሃበ ነጻ ቤት ትምህርቲ፡ ድርበ- ቋንቋዊ ትምህርቲ ንምምራጽ ተኽእሎ ኣሎ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=1955"} {"headline":"ገለ መግለጽታት ቃላት","content":"ገለ መግለጽታት ቃላት\n\nገለ መግለጽታት ቃላት:\n\nካልኣይ ቋንቋ - እቲ\/እቶም ድሕሪ ቀዳማይ ቋንቋ ዚውሃብ\/ቡ ቋንቋ\/ታት ኢዩ\/ዮም። ኣብ መንጎ ቀዳማይን ካልኣይን ቋንቋ ዘሎ ዶብ ንምፍላይ ኵሉግዜ ቀሊል ኣይኰነን። ገና ብቘልዓኡ ተወሳኺ ቋንቋ ንዝተማህረ ቈልዓ ብዚምልከት፡ እቲ ቘልዓ ክልተ ቀዳሞት ቋንቋታት ኣሎዎ ኪብሃል ይክኣል።\nቀዳማይ ቋንቋ - እቲ\/እቶም መጀመርታ እቲ ቘልዓ ዚምሃሮ\/ም ቋንቋ\/ ታት ኢዩ\/ዮም።\nቋንቋ ሃገር - እዚ ኣምር’ዚ፡ ምስ’ቲ ብ1977 ኪትኣታተው ዝጀመረ ጽገና ቋንቋ-ሃገር ዝተባህለ ተተሓሒዙ ዝቘመ’ዩ። \"ትምህርቲ ቋንቋ-ሃገር\" ሕጂ \"ትምህርቲ ቋንቋ-ኣደ\" ተባሂሉ ይጽዋዕ ኣሎ። ሓደ ካብ ወለዲ ወይ መጕ ዚት፡ ቋንቋ-ኣደኦም ዘይሽወደን ምስ ዚኸውን፣ እሞ መዓልታዊ ምስ ውላ ዶም በቲ ቛንቋ’ቲ ዚዛረቡ ምስ ዚዀኑ፣ ቈልዑ ትምህርቲ ቋንቋ-ኣደ ኪወስዱ መሰል ኣሎዎም።\nቋንቋ ብዙሓን - እቲ ዝዓበየን ዓብላልን ቋንቋ ናይ’ታ ሃገር። ኣብ ሽወ ደን ቋንቋ ሽወደን’ዩ ቋንቋ-ብዙሓን።\n\nቋንቋ ውሑዳን - እቶም ብገለ ክፋላት ናይ’ቲ ህዝቢ ዚዝረቡ ቋንቋታት። ኣብ ሽወደን ሓሙሽተ ወግዓውያን ቋንቋታት-ውሑዳን ውሽጢ-ሃገር ኣለዉ፡- ፊንላንዳዊ፡ ዪዲሽ፡ መአንኬሊ፡ ሮማኒ ቺብ፡ ሳሚ። ካልኦት፡ ሓደስቲ እታው ዚዛረቡሎም፡ ኣዝዮም ብዙሓት ቋንቋታት-ውሑዳን፡ ከም ዓረብ፡ ዳንማርክ፡ ኩርድ፡ ፐርስያዊ፡ ቱርኪ፡ ሶማል ዝኣመሰሉ ድማ'ለዉ። \n\nቋንቋ ኣደ - ሰፊሕ ኣምር ኰይኑ፣ ኣውራ ግን እቲ\/ቶም ኣብ ቤት ዚጽ ናዕ\/ንዑ ቀዳማይ\/ሞት ቋንቋ\/ታት ማለት’ዩ።\nድርብ ቋንቋነት - ንኽልተ ወይ ዝያዳ ቋንቋታት፡ ብድምር ንምግላጽ እንጥቀመሉ’ዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=1956"} {"headline":"ካልኦት ሓበሬታታት","content":"ካልኦት ሓበሬታታት\n\nካልኦት ሓበሬታታት:\n\nናብ መርበብ ኢንተርነት ንዚኣትዉ፡ (ኣብ ኣብያተ ንባብ ኣለዉ) ብዛዕባ ድርበ-ቋንቋነት ኣብ ስድራ-ቤታትን ኣብያተ ትምህርትን ሰፊሕ ሓበሬታ ይርከብ። \n\nብዛዕባ ትምህርቲ ቋንቋ-ኣደ ኣብ ቅድመ-ትምህርትን ቤት ትምህርትን፡ ኣብ መርበብ ቋንቋ-ኣደ ኪርአ ይክኣል። ኣብኡ ናብ ወለድን ቈልዑን ዝኣመተ ፍሉይ ሓበሬታ’ውን ይርከቦ። \n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=1957"} {"headline":"ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ","content":"ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ\n\nትምህርቲ ቋንቋ ኣደ:\n\nትምህርቲ ብቛንቋ ኣደ ኣብ መባእታ፡ ሳላ'ቲ ኣብ ሜዳ ንጡፍ ዓውደ መጽናዕቲ ድሕሪ ምግባር ኪካየድ ዝጸንሐ ኣመሃህራ፡ ድሕሪ ናጽነት ክንሰርሐሉ ዋላ ሽግር ኣየጋጠመን። ካብ 93 - 95 ተሰሪሑሉ። ደሓር ዋሕዲ ሰብ ኣጋጢሙ፡ ደስኪሉ ምስ ጸንሐ፡ ብቛንቋ ኣደ መምህራን ዚዀኑ ንምስልጣን፡ ዓስራይ ክፍሊ ዝወድኡ ዜድሊ ክእለትን ጠባይን ዘማልኡ ተመሃሮ ብምምራጽ፡ ናብዚ ተቐቢልና ነቲ ኣብ መባእታ ዚጠቕሞም ኣገባብ ኣመሃህራ እናመሃርና፡ ምስኡ ድማ ንማትሪክ ንምድላው ዚጥቀሙሉ ትምህርቲ እናሃብና፡ ክንዕወተሉ ክኢልና። ኣብ ርእሲ ካልእ ትምህርቶም፡ (ብፊደላት ላቲን ነንቛንቋኦም) ናይ'ቲ ኪምህሩሉ ዚዳለዉሉ ዘለዉ ቋንቋ ኣደ ይምሃሩ። \n\nኣብዚ እዋን'ዚ ምስልጣን መምህራን ኣብ ክልተ ኣብያተ ትምህርቲ ተኸፊሉ፡- \n\nእቲ ሓደ ተመሃሮ 10ይ ክፍሊ ወዲኦም ዚኣትዉዎ ኣብ ማይ ነፍሒ ዚርከብ በቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣገባብ ዚምሃሩ፡ ዝተፈላለዩ ቋንቋ ኣደ ዚምህሩ መምህራን ዚስልጥኑሉ፡ \n\nእቲ ካልኣይ ድማ ብሄሮም ኰነ ቋንቋ ኣዲኦም ብዘየገድስ፡ 11 ክፍሊ ወዲኦም ዚኣትዉዎ ኣብ ኣስመራ ዚርከብ ቤት ትምህርቲ ኢዮም።\"\n\nንዝሓትተናዮ ምኽሪ መም. መብርህቱ ከምዚ ይብል፡-\n\n\"ኣብ ሃገር ሽወደን ዘሎ ምዕባሌ ኣዝዩ ልዑል'ዩ። ንነፍሲ ወከፍ ካብ ወጻኢ ዝመበቈሉ ቘልዓ ቋንቋ ኣዲኡ ኪምሃርን ባህሉ ከይርስዕን (ኬማዕብልን) ዚብል ዕላማ ኣዝዩ ቅዱስ'ዩ። ከምኡ እንተ ዘይከውንሲ እቲ ምዕባሌ እቲ ሃገር ንዘዝመጹ ቈልዑ ናብ ባህሉን ቋንቋኡን ውሒጡዎም ምተረፈ። ዚምስገን ኢዩ። እንተዀነ ብዘይካ ትግርኛ ካልኦት 8 ቋንቋታት እውን ስለ ዘለዋና፡ በተን ዝተረፋ ቋንቋታት ሃገርና ኪምህሩ ዚኽእሉ ኤርትርውያን ከምዚ ናታትኩም ኪምህሩ ከተተባብዑዎም እምሕጸን\" ኢሉ።\n\nሓጋይ - ክረምቲ\n\nሓግዙኒ ሊቃውንቲ!\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=1958"} {"headline":"ኣስዒቡዎ ዘሎ ምግጫው-ትርጉም ኣብ ወጻእን ኣብ ሃገርናን","content":"ኣስዒቡዎ ዘሎ ምግጫው-ትርጉም ኣብ ወጻእን ኣብ ሃገርናን\n\nኣስዒቡዎ ዘሎ ምግጫው-ትርጉም ኣብ ወጻእን ኣብ ሃገርናን:\n\nእዘን ክልተ በቀማምጣአን ኣንጻር ዝዀና ክፍለ-ዓመታት'ዚኣተን፣ ኣዋርሓተን ማዕዶ-ማዕዶ፡ ኵነታት ኣየረን ዘይቃረብ ዘይቃዶ፣ ገገዛእ-ርእሳተን ዝኸኣላ በበይነን ምዃነን ንምዝኽኻር ጥራይ ክጽሕፍ። \n\nሓጋይ ኣብ ሃገርና ዝሑል፡ ብርሃን መዓልቲ ዚሓጽረሉ፣ ጸልማት ለይቲ ዚነውሐሉ፣ ኣብ ኣዋርሕ ታሕሳስ፡ ጥሪ፡ የካቲት የጋጥም። ክረምቲ ድማ፡ ምዉቕ፡ (ብዘይካ እቲ ዝናብ ኣብ ዚወርደሉ እዋን ዚቕልቀል ግዜያዊ ዛሕሊ) ብርሃን መዓልቲ ዚነውሐሉ፣ ጸልማት ለይቲ ዚሓጽረሉ፣ ኣብ ኣዋርሕ ሰነ፡ ሓምለ፡ ነሓሰ የጋጥም። \n\nፈጺሞም ዘይራኸቡ፡ በብሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተፈላለዩ፣ ምስ ዙረት ዓለምና ኣብ ዙርያ ጸሓይ ኣነጻጺርካ'ሞ፣ ኣብ'ቶም ቀዳሞት ዝረአኻዮም ከዋኽብቲ ከይተረፉ'ውን ኣብ'ቶም ካልኦት ዘይትርእየሉ፣ ንጹር ትርኢትን ኵነትን ዝሓዘሉ ክፍለ-ዓመታት ኢዮም። ኣብዚ እንፈላለ ኣይመስለንን።\n\nፍልልይሲ ብገለ መጺኡና'ሎ!!\n\nብኣቀማምጣ ሓደ ሃገር ኣብ ዓለምና - \n\n(ደቡባዊ ዶ ሰሜናዊ ንፍቀ-ክቢ)፧\n\nዶስ ብመስርዕ ኣዋርሕ ፧\n\nወይስ ብዅነታት ኣየር ፧\n\nንዚብሉ ሕቶታት ንምምላስ፣ \n\nኣብ ክልቲኣተን ንፍቀ-ክብታት ዘለዋ ሃገራት፣ ሳመረንን ዊንተረንን (summer - winter) ኣንጻር ምዃኑ ዚስሕቶ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን። እዚ ምስ ዑደት ምድሪ ኣብ ዙርያ ጸሓይን፡ ምስ ምቕናን ዘንጋን ዝተተሓሓዘ ምዃኑ'ውን ንምዝኽኻር ደኣ እምበር፣ ምጡን ትምህርቲ ጂዎግራፍ ንዘሎዎስ ምርድኡ ኣይጽግምን። ንኣብነት ሳመር ኣብ ኤውሮጳ፡ ዊንተር ኣብ ኣውስትራልያ ይኸውን ማለት'ዩ። ኣብ ኤውሮጳ ሙቐት ዝበዝሐሉን ሰዓታት መዓልቲ ዝነውሐሉን፣ ኣብ ኣውስትራልያ ድማ፡ ዝቘረረን ሰዓታት ለይቲ ዝነውሐሉን እዋን-ዓመት ምዃኑ'ዩ። \n\nሃገርና፡ ከም ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ-ክቢ ትርከብ። ኤውሮጳውያን ንሳመር ኪገልጹዎ ከለዉ፡- \"ሙቐት ዝበዝሐሉን ሰዓታት መዓልቲ ዝነውሐሉን፣ ነዋርሕ ሰነ፡ ሓምለ፡ ነሓሰ ዘጠቓለለን'ዩ\" ይብሉ። እሞ፡ ኣብ ሃገርና'ውን ሽዑ ሳመር ምዃኑ'ዩ። ግን ከኣ፡ እዘን ኣዋርሕ'ዚኣተን ኣብ ሃገርና \"ወርሓት ክረምቲ\" ንብለን። ምስ'ቶም ደቂ ዞባና (ሰሜናዊ ንፍቀ-ክቢ) \"ሳመርና'ዩ\" ክንብል ጸኒሕና፣ ምስ ደቂ ሃገርና \"ክረምትና'ዩ\" ንብል ማለት'ዩ። ገና ሕጂ'ውን መገድና ኣይሰሓትናን።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=1959"} {"headline":"ጾመ ነነዌ","content":"ጾመ ነነዌ\n\nጾመ ነነዌ:\n\nልክዕ ድሕሪ 4 ኣዋርሕ፡ ዕለት 6 የካቲት፡ ጾመ ነነዌ ይኸውን። ኵሉግዜ ሰኑይ ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ኣብ’ተን 4 ኣዋርሕ፡ ዕለት 6፡ በብ2 መዓልቲ ኣብ ወርሒ ሕሳብ፡ ብ8 መዓልቲ ንቕድሚት ስለ ዚኸይድ። ነነዌ መሰረት ናይ ኣጽዋማትን በዓላትን ኢዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=1961"} {"headline":"ዓቢይ ጾም","content":"ዓቢይ ጾም\n\nዓቢይ ጾም:\n\n2 ሰሙናት ድሕሪ ነነዌ፡ ዓቢይ ጾም ይኣቱ። ሰኑይ 20 የካቲት ምዃኑ’ዩ። እዚ’ውን ካብ ሰኑይ ኣይወጽእን።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=1962"} {"headline":"ኮርትኒ ቼትዊንድ","content":"ኮርትኒ ቼትዊንድ\n\nኮርትኒ ቼትዊንድ (እንግሊዝኛ: Courtney Chetwynde) እዩ ፊክትዮናዊ ካራክተር (ዲጀይ መክሀይል) እና ፔንድራጎን እዩ።\n\nhttp:\/\/www.thependragonadventure.com\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=1963"} {"headline":"ምህንድስና","content":"ምህንድስና\n\nምህንድስና ንነገራት ንምንዳፍ ወይ ንምስራሕ ሳይንስን ሒሳብን ምጥቃም እዩ።.\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=1977"} {"headline":"ናይላብረርን ሓበሬታን ሳይንስ","content":"ናይላብረርን ሓበሬታን ሳይንስ\n\nናይላብረርን ሓበሬታን ሳይንስ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=1982"} {"headline":"ሶፍትዌር ምህንድስና","content":"ሶፍትዌር ምህንድስና\n\nሶፍትዌር ምህንድስና\n\n፫ ሓምለ ፳፻፱\nክዊክሶርት \/ Quicksort \n\nኣብ ስነ-ኮምፒተር እቲ ክዊክሶርት ኣገባብ ሓደ ካብቶም ዝቀልጠፉ ኣገባባት እዩ\nሓደ ዓውዲ (Array) ንምስራዕ።\nእቲ ዓውዲ ዘይስሩዕ ቁጽሪታት ወይ ከኣ ካልእ ትሕዝቶ ክህልዎ ይኽእል።\nመፍትሒ ናይ ክዊክሶርት እቲ ክልሰ-ሓሳብ „መቀለ ድሓር ሰፈነ“ (= divide and conquer) እዩ። ቅድም ነቲ ዓቢ ሽግር ኣብ ንኣሽቱ ሽግራት ትመቅሎ፣ ድሓር ነቶም ንኣሽቱ ሽግራት ንምፍታሕ ይቀልል እዩ። ሽዑ ስጉም ብስጉም ነቲ ዓቢ ሽግር ትፈትሖ ማለት እዩ። ስለዚ ከኣ እዚ ኣገባብ „መቀለ ድሓር ሰፈነ“ ይበሃል፥ \n\nሓደ ባእታ ካብቲ ዓውዲ ትወስድ (ኣየናይ ባእታ ከምትወስድ ኣገዳሲ ኣይኮነን) ነቲ ዓውዲ ምእንቲ ኣብ መኣከሉ ክትመቅሎ። \nድሓር ነቶም ካልኦት ካብቲ ቀንዲ ባእታ ዝንእሱ ባእታታት ኣብ ጸጋም ትገብሮም፣ \nነቶም ካልኦት ካብቲ ቀንዲ ባእታ ዝዓበዩ ባእታታት ኣብ የማን ትገብሮም። \nድሓር ልክዕ ነዚ ዕማም ትደግሞ፣ ነቲ ሓድሽ ዝወጸ ክፋል ናይቲ ዓውዲ ትመቅሎ፣ ሽዑ ነቲ ሓድሽ ክፋል ትሰርዖ።\nድሓር ሙሉእ ዓውዲ ምስ ሰርዓኻ፡ እቶም ባእታታት ኣብቲ ዓውዲ (ትሕዝቶ ዓውዲ) ኩሎም ተሰሪዖም ኣለው። \n\nእዚ’ቲ ቀንዲ ሽጣራ ናይቲ ክዊክሶርት ኣገባብ እዩ።\nነቲ ክልሰ-ሓሳብ „መቀለ ድሓር ሰፈነ“ ኣብ ብዙሕ ዝተፋላለዩ ነገራት ኣብ ውሽጢ ሶፍትዌር ወይ ስነ-ኮምፒተር ይጥቀምሉ እዩ።\n\nኣብ ውሽጢ’ቲ ፕሮግራም ወይ ኮውድ ሕሳባዊ ፍልጠት ከኣ ክህልወካ ኣለዎ።\nስነ-ሎምፒተር ብዘይ ሕሳብ ሙት እዩ።\n\nመብርሂ ናይ ክዊክሶርት፥\n\nእቲ ዝስዕብ ኣገባብ (= function) ነቲ ቀንዲ ባእታ ይደሊ፣ \nነቲ ዓውዲ (files[ ]) ከኣ ይመቅሎ፥\nቀንዲ ባእታ = Pivot \n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=1987"} {"headline":"ዝብእን ወኻርያን","content":"ዝብእን ወኻርያን\n\nዝብእን ወኻርያን:\n\nሓደ እዋን ሓንቲ ወኻርያ ነበረት። እዛ ወኻርያ ክልተ ውላዳት ወለደት። ነቲ ሓደ ውላዳ ከበዶም ነቲ ሓደ ከኣ ሸበዶም ዚብል ስም ሃበቶም። እዛ ወኻርያ ንግሆ ተሲኣ፡ ንደቃ መግቢ ከተናዲ ትኸይድ ነበረት።\n\nቅድሚ ምውጻኣ፡ ንደቃ \"እዞም ደቀይ! ንዓይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ንኻልእ ማዕጾ ከይትኸፍቱ። ኣነ መጺአ፡ ሸበዶም፡ ከበዶም፡ ክፈቱኒ ምስ በልክኹም ጥራይ ትኸፍቱ!\" በለቶም።\n\nንሳቶም ከኣ ሕራይ በሉዋ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=1996"} {"headline":"ትግርኛ ፊደል","content":"ትግርኛ ፊደል\n\nትግርኛ ሓደ ካብ ሴማውያን ቋንቋታት እዩ።\nትግርኛ ኣብ ኤርትራ ብኣስታት ፬ ሚዮ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ኢትዮጵያ ኸኣ ብኣስታት ፭ ሚልዮን ህዝቢ ዝዝረብ ቋንቋ እዩ። ፊደላት ትግርኛ ካብ ኣደ ትግርኛ ዝዀነት ቋንቋ ግእዝ ዝተዋጽኡ እዮም። \n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=1999"} {"headline":"ቋንቋ ኣምሓርኛ","content":"ቋንቋ ኣምሓርኛ\n\nናይ ኣምሓረኛ ፊደል እሉ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2000"} {"headline":"ኣንበሳ","content":"ኣንበሳ\n\nእዚ ተባዕታይ ኣንበሳ ኢዩ። \n\nስጋ ይበልዕ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2004"} {"headline":"ዓዲ ቀይሕ","content":"ዓዲ ቀይሕ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2015"} {"headline":"ፈረንሰኛ ፊደል","content":"ፈረንሰኛ ፊደል\n\nፈረንሰኛ ፊደል\n\nA À Â Æ B C Ç D E È É Ê Ë F G H I Î Ï J K L M N O Ô Œ P Q R S T Ù Û Ü V W X Y Ÿ Z\n\na à â æ b c ç d e è é ê ë f g h i î ï j k l m n o ô œ p q r s t ù û ü v w x y ÿ z\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2016"} {"headline":"ጀርመንኛ ፊደል","content":"ጀርመንኛ ፊደል\n\nጀርመንኛ ፊደል\n\nA Ä B C D E F G H I J K L M N O Ö P Q R S ẞ T U Ü V W X Y Z\n\na ä b c d e f g h i j k l m n o ö p q r s ß t u ü v w x y z\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2017"} {"headline":"እስፓንኛ ፊደል","content":"እስፓንኛ ፊደል\n\nእስፓንኛ ፊደል\n\nA Á B C CH D E É F G H I Í J K L LL M N Ñ O Ó P Q R S T U Ú Ü V W X Y Z\n\na á b c ch d e é f g h i í j k l ll m n ñ o ó p q r s t u ú ü v w x y z\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2018"} {"headline":"ኢታልያንኛ ፊደል","content":"ኢታልያንኛ ፊደል\n\nኢታልያንኛ ፊደል\n\nA B C D E F G H I L M N O P Q R S T U V Z\n\na b c d e f g h i l m n o p q r s t u v z\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2019"} {"headline":"ባረንቱ","content":"ባረንቱ\n\nባረንቱ, ኤርትራ።\n\nባረንቱ ርእሰ ከተማ ዞባ ጋሽ ባርካ ኮይና፡ካብ ርእሰ ከተማ ኣስመራ ንምዕራብ 240ኪ'ሜ \n\nካብ ከሰላ (ሱዳን) ድማ ኣስታት 162ኪ'ሜ ርሒቓ ትርከብ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2024"} {"headline":"ደቀምሓረ","content":"ደቀምሓረ\n\nደቀምሓረ ዓባይ ከተማ ሓንቲ ካብ ኤርትራ ኮይና። ኣርብዓ ኪሎሜተር ሪሒቓ ካብ ኣስመራ ብደቡባዊ ምብራቕ ትርከብ።\n\n\"ከተማ ደቀምሓረ ኣብዚ ካርታ ብቀይሕ ነጥቢ ዘለዋ ቦታ ትርከብ\", ኤርትራ ኣከለጉዛይ.\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2025"} {"headline":"ጊንዳዕ","content":"ጊንዳዕ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2027"} {"headline":"ምጽዋዕ","content":"ምጽዋዕ\n\nምጽዋዕ ኣብ ኤርትራ ትርከብ፣ ካልአይቲ ዝዕብየት ከተማ ናይዚ ሃገር አያ ከኣ። ካብ ኣስመራ ንሸነኽ ምብራቕ ኣስታት 115 ኪሎመተር ሪሒቓ ትርከብ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2029"} {"headline":"መንደፈራ","content":"መንደፈራ\n\n\"እታ ቀያሕ ነጥቢ መንደፈራ ትርከበላ ቦታ እያ። \"መንደፈራ ደቡብ:ኤርትራ","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2030"} {"headline":"ናቕፋ (ከተማ)","content":"ናቕፋ (ከተማ)\n\nናቕፋ ኣብ ዞባ ሰመናዊ ቅይሕ ባሕሪ ኤርትራ እትርከብ ከተማ እያ፣ ናይ ኤርትራ ባጤራ ውን ካብ ናታ ስም ዝተወሰደ እዩ። ናቕፋ ኣብ ግዜ ቃልሲ ናጽነት ኤርትራ ከም ቀንዲ ማእከል ናይ ህዝባዊ ግንባር ሓርንት ኤርትራ ኮይና ኣገልጊላ።\n\nናቕፋ ብሰንኪ ጽዑቕ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ዓንያ ሓንቲ መስጊድ ጥራሕ ደው ኢላ ተሪፋ፣ ናቕፋ ብድፋዓት ተኸቢባ ትርከብ፣ ኣብ ናይ ግዜ ቃልሲ ሓይልታት ህዝባዊ ግንባር ንከተማ ናቕፋ ምስ ኣተዉ ክሳብ ግዜ ናጽነት ሓይልታት ጸላኢ ኣብ ትሕቲ ኢዱ ንኽትወድቕ ዘይፈተኖ ኣይነበረን ክኾነሉ ድማ ኣይከኣለን በዚ ምኽንያት ናቕፋ ኣደ ጽንዓት ዝብል ስም ሒዛ ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2031"} {"headline":"ዞባ ማእከል","content":"ዞባ ማእከል\n\nዞባ ማእከል\n\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2038"} {"headline":"ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ","content":"ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ\n\nዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ\n\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2039"} {"headline":"ዞባ ዓንሰባ","content":"ዞባ ዓንሰባ\n\nዞባ ዓንሰባ\n\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2040"} {"headline":"ዞባ ደቡብ","content":"ዞባ ደቡብ\n\nዞባ ደቡብ\n\n\nእዋእ ኣንቱም ሰባት ኣነ ምስ እዛ ሓፍቲ ብናይ ዓይኒ ቪዶ ፍቅራ እንበር ዓቢደ በጃኹም እባ መልስኹም ሓልየትኩም ኣይፈለየኒ ጉድ ተረኺቡ ከይ ሓሰብካዮ ወልፊ ዝሕዘካ እኮ ከምዚ ኢዩ ዝብሃል ቡዙሕ ግዜ ስለ ዝካታተሎ ንሳ ተማሓላልፎ ናይ ቪዶ መልእክቲ ካብ ምርኣይ ዶ ይኾዉን? ካብ ስራሕ ካብ ዘቃርጽ ዳርጋ ሳልስቲ ክልተ ሰሙን ኮይኑ ኣሎ ናታ ቪዶ ክርኢ እሞ ገለ በሉኒ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2041"} {"headline":"እቲ ወዲ'ቲ","content":"እቲ ወዲ'ቲ\n\nእቲ ወዲ'ቲ ሓረግ እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2050"} {"headline":"እታ ጓል'ቲኣ","content":"እታ ጓል'ቲኣ\n\nእታ ጓል'ቲኣ ሓረግ እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2051"} {"headline":"እቶም ዓቢ ሰብኣይ","content":"እቶም ዓቢ ሰብኣይ\n\nእቶም ዓቢ ሰብኣይ ሓረግ እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2052"} {"headline":"እተን ዓባይ ሰበይቲ","content":"እተን ዓባይ ሰበይቲ\n\nእተን ዓባይ ሰበይቲ ሓረግ እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2053"} {"headline":"ትማሊ ዝረአናዮ ወዲ","content":"ትማሊ ዝረአናዮ ወዲ\n\nትማሊ ዝረአናዮ ወዲ ሓረግ እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2054"} {"headline":"ጽባሕ እንኸዶ ቦታ","content":"ጽባሕ እንኸዶ ቦታ\n\nጽባሕ እንኸዶ ቦታ ሓረግ እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2055"} {"headline":"ቅድመኻ ዝነበረ ቈልዓ","content":"ቅድመኻ ዝነበረ ቈልዓ\n\nቅድመኻ ዝነበረ ቈልዓ ሓረግ እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2057"} {"headline":"እዘን ክልተ ኣዋልድ","content":"እዘን ክልተ ኣዋልድ\n\nእዘን ክልተ ኣዋልድ ሓረግ እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2059"} {"headline":"ንሕናን ንሳቶምን","content":"ንሕናን ንሳቶምን\n\nንሕናን ንሳቶምን ሓረግ እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2060"} {"headline":"ነዊሕን ቀጢንን","content":"ነዊሕን ቀጢንን\n\nነዊሕን ቀጢንን ሓረግ እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2062"} {"headline":"ህዉኽን ቅልጡፍን","content":"ህዉኽን ቅልጡፍን\n\nህዉኽን ቅልጡፍን ሓረግ እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2063"} {"headline":"እናጐየየ ከይዱ","content":"እናጐየየ ከይዱ\n\nእናጐየየ ከይዱ ሓረግ እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2064"} {"headline":"እናዘለለ መጺኡ","content":"እናዘለለ መጺኡ\n\nእናዘለለ መጺኡ ሓረግ እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2065"} {"headline":"እናበልዐ የንብብ","content":"እናበልዐ የንብብ\n\nእናበልዐ የንብብ ሓረግ እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2066"} {"headline":"እናጸሓፈ ይዛረብ","content":"እናጸሓፈ ይዛረብ\n\nእናጸሓፈ ይዛረብ ሓረግ እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2067"} {"headline":"ብየማኑን ብጸጋሙን","content":"ብየማኑን ብጸጋሙን\n\nብየማኑን ብጸጋሙን ሓረግ እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2068"} {"headline":"ብላዕልን ብታሕትን","content":"ብላዕልን ብታሕትን\n\nብላዕልን ብታሕትን ሓረግ እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2069"} {"headline":"ኣብ ዓድን ኣብ ባሕርን","content":"ኣብ ዓድን ኣብ ባሕርን\n\nኣብ ዓድን ኣብ ባሕርን ሓረግ እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2071"} {"headline":"ዓቃል ምስ ህዉኽ","content":"ዓቃል ምስ ህዉኽ\n\nዓቃል ምስ ህዉኽ ሓረግ እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2073"} {"headline":"ዝሑል ምስ ውዑይ","content":"ዝሑል ምስ ውዑይ\n\nዝሑል ምስ ውዑይ ሓረግ እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2074"} {"headline":"ብሩኽዶ ርጉም","content":"ብሩኽዶ ርጉም\n\nብሩኽዶ ርጉም ሓረግ እዩ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2075"} {"headline":"ህኩይዶ ትጉህ","content":"ህኩይዶ ትጉህ\n\nህኩይዶ ትጉህ ሓረግ እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2077"} {"headline":"ዝተሰብረ ምዕራይ","content":"ዝተሰብረ ምዕራይ\n\nዝተሰብረ ምዕራይ ሓረግ እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2078"} {"headline":"ዝረስሐ ምጽራይ","content":"ዝረስሐ ምጽራይ\n\nዝረስሐ ምጽራይ ሓረግ እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2079"} {"headline":"በቃቕ ኣንጭዋ","content":"በቃቕ ኣንጭዋ\n\nበቃቕ ኣንጭዋ ሓረግ እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2080"} {"headline":"ነብርን ወኻርያን","content":"ነብርን ወኻርያን\n\nኣሰላሙዓለይኩም ወራሕመቱላሂ ወበረካትሁ!!\n\nዓቒዳ\/እምነት\n\nፍትዋት ሙእሚኒን የሕዋተይ ሎምዓንቲ መሰረታውያን ዓንድታት እምነት (ኢማን) ኣብ እስልምና ክንርኢ ኢና፣ እቶም እምነ-ኩርናዕ እስልምና ዝኾኑ ሽዱሽተ ዓንድታት እምነት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፥\nእምነት ብሓደ ኣላህ\nእምነት ብመላእኽቱ\nእምነት ብመጻሕፍቱ\nእምነት ብልኡኻቱ (ነቢያቱ) \nእምነት ብመወዳእታ መዓልቲ (ብህይወት ድሕሪ ሞት)\nከምኡ ድማ እምነት ብቕድመ-ድንጋጌ (ሕማቕን ጽቡቕን ኩሉ ብፍቓድ ኣላህ ከም ዝፍጸም ምእማን ዝብሉ ኢዮም፣) ቀጺልና ሓደ ብሓደ ንርኣዮም፥\n\nእቲ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ዘመሓላለፎ ቀንድን መሰረታውን ምህሮ “እምነት ኣብ ሓደነት ኣላህ” ኢዩ፣ እዚ ኣምር’ዚ ብኢስላማዊ ቛንቛ “ተውሒድ” ተባሂሉ ይፍለጥ፣ እምነ-ኩርናዕ ናይ ድሕነት ካብ ጀሃነም ድማ ኢዩ፣ ሓደነታዊ ኣምልኾ ኣላህ ክበሃል ከሎ ንኣላህ ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ወሰኽ ንውልቁ ምምላኽ ማለት ኮይኑ፤ “ ኢስላማዊ ከሊማህ ” ተባሂሉ ድማ ይፍለጥ።\n\nኢስላማዊ ከሊማ ነቲ “ላኢላሃ ኢላ’ላህ” ዝብል ኣምር ዝውክል ኮይኑ፡ ብትግርኛ ክንትርግሞ ከለና፡ “ብዘይካ ሓደ ኣላህ ካልእ ኣምላኽ የለን” ማለት ኢዩ፣ እዛ ምዕርግቲ ሓረግ እዚኣ ዓንዲ ሕቖ ናይ እስልምና እያ፣ እዛ ከሊማ እዚኣ ከኣ ንእምነትን ክሕደትን ኣላህ ብንጹር እትፈሊ ዶብ’ያ ክትበሃል ትከኣል፣ በዛ ኢስላማዊት ከሊማ ብምእማን ኣብ ዓለምን ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወትን ዓወት ምጉንጻፍ ይከኣል፣ ነዚኣ ኣዝያ ውቕብቲን ረዛንን ሓረግ ምንጻግ ድማ ብዓቢኡ ነቲ ዘልኣለማዊ ህይወት ምኽሳርን ኣብ ገሃነም-እሳት ምንባርን የኸትል፡\n\nእዛ ከሊማ ንእምነትን ክሕደትን እትፈላሊ ዶብ’ያ ካብ በልናያ፡ ብዘይ ኣፍልጦ “ለለ…” ናይ ዝበልካ ግን ኣይኮንን፣ ነቲ ሰረተ-እምነት ብንቕሓት ምቕባልን ኣብ ግብራዊ ህይወትካ ብምልኣት ምስዓብን የድሊ፣ ምኽንያቱ “መግቢ” “መግቢ” ኢልካ ብቃልካ ናይ ዝደጋገምካ ጥራሕ ጥምየትካ ኣይዕንገልን ኢዩ፣ ወይ ስም መድሃኒት ፈውስኻ ብቃልካ ብምጥቃስ ጥራሕ ካብ ሕማምካ ክትሓዊ ኣይትኽእልን ኢኻ፣ ብተመሳሳሊ እዛ ከሊማህ እዚኣ ጽቡቕ ጌርካ ክሳዕ ዘይተረዳእካያ እቲ ዘድሊ ለውጢ ኣብ ህይወትካ ከተምጻልካ ኣይትኽእልን ኢያ፣ ለውጢ ክመጽእ ዝኽእል ንሙሉእ ትርጉም ናይቲ ሰረተ-እምነት ብምጭባጥ ብቃልን መንፈስን ምስ እትትግብሮ ጥራሕ ኢዩ።\n\nሓዊ ከም ዘቃጽል ስለ እንፈልጥ ካብኡ ንርሕቕ፣ መርዚ ከምዝቐትል ስለ እንርዳእ ካብኡ ንኽልከል፣ ብተመሳሳሊ ንተውሒድ (ኣምልኾ ሓደ ኣላህ) ብግቡእ ብምርዳእ፤ ክሕደት፡ ኢ-ዚሄርነትን ብዙሐ-ዚሄርነትን ከነወግድ ንኽእል፣ ዝርዝራዊ ትርጉም ኢስላማዊ ከሊማህ ብቋንቛ ዓረብኛ “ኢላህ” ማለት እቲ ኣምልኾ ወይ መግዛእቲ ዝግበኦ ማለት ኢዩ፣ ኣላህ ድማ ውልቃዊ ስም ናይ ኣምላኽ ኢዩ፣ በቲ ደርማሳዊ ሓይሉን ዕብየቱን ተደሪኽና ብትእዛዙ መሰረት ብትሕትና ንሰግድን ንምብርኸኽን፣ ኢላህ ዝብል ኣምር ነቲ ዘይጽንቀቕ ሓይሊ ዘለዎ ጎይታ ዘመልክት ኮይኑ፡ ኩሉ ፍጡር ዘበለ ናብኡ ይጽጋዕን ይምርኮስን፣ ንዑኡ ግን ናይ ዝኾነ ኣካል ደገፍ ኣየድልዮን፣ ነቲ ኢላህ ዝብል ኣምር ዝእምቱ ኣብ ካልኦት ቋንቋታት’ውን ይንጸባረቁ ኢዮም።\n\nንኣብነት ብ ቋንቋ ፐርሺያ “ኩሑዳ”፡ ብህንዲ “ደቫ”፡ “ጋድ” ድማ ብእንግሊዘኛ።\nኣብ ታሪኽ ደቂስብን ጥንታዊ ቅርስታትን ተሞርኪስና ምስ እንምርምር፡ ኩሎም እቶም ዝሓለፉ ኣህዛብ ዘምልኽዎ ኣምላኽ ወይ ኣማልኽቲ ነይርዎም ኢዩ፣ ካብቲ ድሑር ዝበሃል ፍልማዊ ሕብረተሰብ ክሳዕ እዚ ሕጂ ዘለናዮ ኣመና ዝሰልጠነ ሕብረተሰብ። ነናቱ ዝኣምነሉ ኣምላኽ\/ኣማልኽቲ ዘይነበሮ የለን፣ ንሓደ ነገር ኣምላኽካ ጌርካ ንዑኡ ምስጋድ ካብ ጥንቲ ምስ ውሽጣዊ ባህሪ ወዲሰብ ተተሓሒዙ ክኸይድ ዝጸነሐ ኢዩ፣ ከምኡ ክገብር ዝድርኾ ኣብ ውሽጣዊ መንፈሱ ገለ ነገር ከምዘሎ ኢዩ ብተመራመርቲ ዝሕበር።\n\nካብቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ተበጊስና ሓደ ሕቶ ክንሓትት ንኽእል፣ እቲ ጥንታዊ ወዲሰብ ዘምልኾ ኣምላኽ ንኽገብር ዝገብሮ ዝነበረ ውሽጣዊ ድሪኺት እንታይ ኮን ነይሩ ይኸውን?\n\nሎሚ ቦታ ወዲሰብ ምስቲ ተመራመርቲ መጀመርታን መወዳእታን ዘይብሉ ኢሎም ዝገልጽዎ ኣዝዩ ሰፊሕ ኣድማስ ብምንጽጻር እንተሪኢናዮ እቲ መልሲ ብሩህ ይኸውን፣ ወዲሰብ ይኹን ባህሪ ፍጹማት ኣይኮኑን፣ ሰብ ሓይሉ ውሱን፡ ድኹም፡ ድኻን በተኽን ኢዩ፣ ነታ ናብርኡ ጥራሕ ኣብ ኣዝዩ ብዙሕ ረቛሒታት ይሙርኮስ፣ እዞም ንናብርኡ ዘገድሱ መሰረታውያን ነገራት ንባዕሎም ኣብ ሓደ ግዜ ክርከቡ ኣይክእሉን፣ ምናልባት ሓደ-ሓደ እዋን ብቐሊልን ባህርያውን መንገዲ ኣብ ኢዱ ክኣትዉ ይኽእሉ ይኾኑ፣ ሓደ-ሓደ ግዜ ግን ኣመና ኢዮም ዝሕረምዎ፣ ክረኽቦም ዝቃለስ ኣገደስትን ጠቐምትን ነገራት ብርግጽ ኣለዉ፣ ይኹን’ምበር ኩሉ ኣብ ኢዱ ስለዘይኮነ ሓደ ግዜ ይዕወተሎም ሓደ ግዜ ድማ ይኸስሮም፣ ክከላኸሎም ዘይክእል ኣመና ጎዳእቲ ኣጋጣሚታት ውን ኣለዉ፣ ናይ ሙሉእ ዕድሚኡ ስራሕ ኣብ ሓጸርቲ ካሊእታት ክዓኑ ይኽእል፣ ዕድሉ ኣብ ዘይደልዮን ዘይተጸበዮን ሰዓት ብሃንደበት ሞት ተምጻሉ፣ ብዘይክኡ ሕማም፡ ስቅያትን ባህርያዊ ሓደጋታትን ንሓጎሱ ብምጽራር ይሻመዉዎ፣ ካብዚ ኩሉ ክናገፍ እኳ እንተተቓለሰ ምስ ዓወትን ውድቐትን ኢዩ ዝጋጠም።\n\nብዕብየቶምን ምዕሩግነቶምን ጥራሕ ዘርዕድዎ፡ ዓበይቲ እምባታት፡ ወሓይዝ፡ ገዘፍቲ እንስሳታትን ብዙሓት ካልኦት ነገራትን ኣለዉ፣ ብምንቅጥቃጥ መሬትን ማዕበላትን ይፍተን፣ ልዕሊኡ ቁሊሕ እንተበለ ድማ ደበናታት ሰማይ እናተኣኻኸቡን እናጸለሙን ከለዉ ይርእዮም፣ ከቢድ ድምጺ ነጎዳን ንጸልማት ዝቐድድ በርቅን ይዕዘብ፣ ዕልቕልቕ ዘኸትል ዝናብ ይመጾ፣ ናብ ጸሓይ፡ ወርሒን ከዋኽብትን ድማ የቃልብ፣ ወትሩ ከኣ ኣብ ርጉእን ቀጻልን ምንቅስቃስ ይረኽቦም፣ ማዕረ ክንደይ ዓበይቲ፡\nሓያላትን ውቁባትን ምኻኖም ይግንዘብ፣ ምስ’ቶም ዝዕዘቦም ኣካላት ባህሪ ብምውድዳር ናቱ ቦታን ዓቅምን ኣዝዩ ንእሽቶ ምዃኑ ኣጸቢቑ ይርዳእ፣\nእዞም ክስተታት እዚኦም ብሓደ ሸነኽ፡ ንቕሓቱ ድማ ብኻልእ ሸነኽ ንድኹምነቱ፡ ትሑትነቱን ሓጋዚ ኣልቦነቱን የዘኻኽርዎ፣ ጥንታዊ ሓሳብ ኣምልኾ እምበኣር ካብዚ ምንጪ’ዚ እንተተበገሰ ዘይባህርያዊ ኣይኮነን፣ ኣብቲ መጀመርታ ምንጪ ሓይሊ ናይቶም ብዓይኑ ዝርእዮም ዝጠቕምዎን ዝጎድኡዎን ዓበይቲ ክስተታት ካብ ገዛእ ርእሶም ስለዝመስሎ፡ ነዐኦም ኣማልኽቱ ጌሩ ይወስዶም፣ ስለዝኾነ ንኣግራብ፡ እንስሳታት፡ ወሓይዝ፡ እምባታት፡ እሳት፡ ዝናብ፡ ኣየር (ንፋስ)ን ካልኦት ፍጥረታትን ከምልኽ ጀሚሩ፣ እዚ ብርግጽ እቲ ዝበኣሰ ዓይነት ድንቁርና ኢዩ ነይሩ፣ ምኽንያቱ ዝያዳ ክመራመር ምስ ጀመረ፤ እቶም ስልጣንን ሓይልን ኣለዎም ኢሉ ዝኣመነሎም ዓበይቲ ባህርይውያን ነገራት፤ ኣብ ካልእ ሓይሊ ከምዝሙርኮሱን ንገዛእ ርእሶም ክድግፉ ዓቕሚ ከምዘይብሎምን ከስተውዕል ኪኢሉ ኢዩ።\n\nምኽንያቱ እቲ ዓብን ሓያልን ዝበሎ እንስሳ ልክዕ ከምቲ ደቂቅ ጀርም ክመውት ከሎ ይርእዮ፣ ዓበይቲ ፈለጋት መሊኦም ዕልቕልቕ ክብሉ ከምዘይጸንሑ ምስ ግዜ ይነጽፉ፣ ፍርያምነት መሬት ኣብ ናታ ቁጽጽር ጥራሕ ዘይሙዃኑ፤ የግዳስ ኣብ ማይ ከምዝሙርኮስ፤ ማይ’ውን ንባዕሉ ኣብ ኣየር ከምዝሙርኮስ፤ ኣየር ድማ ከምኡ ኣብ ካልእ ጠንቂ ከምዝድገፍ ይበርሃሉ።\n\nእቲ ኣብዚ ዝጠቐስናዮ ደረጃ ንቕሓት ዝበጸሐ ሓንጎል ወዲሰብ፤ እቶም ዝሓሰቦም ኣማልኽቲ ካብዘይኮኑ፤ ሓንጎሉ ናብ ካልኦት ተኽእሎታት ክጠውዮ ጀመረ፣ መለኮታዊ ባህሪ ዘለዎም ምስጢራውያን ሓይልታት ንዝተፈላለዩ ክስተታት ክቆጻጸሩ ስልጣን ከምዘለዎም ኣመነ፣ እዚ ካልእ ዓይነት ድንቁርና ብወገኑ ናብ ኣምልኾ ቁጽሪ ዘይብሎም ኣማልኽቲ ኢዩ ርዒሙ፣ “ኣምላኽ ጸሓይ”፡ “ኣምላኽ ወርሒ”፡ “ኣምላኽ ኣየር” ወ.ዘ.ተ.፣ ገሊኦም ድማ ነቲ ዝኣምኑሉ ኣምላኽ ዝውክል ቅርጻ ብምቕራጽ ነቶም ምልክታት ከምልኹ ጀመሩ፣ ገና ሕጂ’ውን እቲ ሓቂ ካብ ዓይኒ ወዲሰብ ተኸዊሉ ተረፈ።\n\nወዲሰብ ብትምህርትን ምዕባለን እናገስገሰ ክመጽእ ምስ ጀመረ፡ ንከባቢኡን ባህርያዊ ኩነታትን ኣጸቢቁ ክርዳእ ከኣለ፣ ንከባቢኡን ኣድማስን ብሓፈሻ ዝቆጻጸር ሓያል ሕግን ቁጽጽርን ከምዘሎ ድማ ኣመነ፣ ካብቲ ሕጊ ፈልከት ዘይብል ፍጹምን ምዕሩይን ምብራቕን ምዕራብን ጸሓይ፤ ኣብ ንፋሳት፡ ኣብ ዝናብ፡ ኣብ ምንቅስቓስ ከዋኽብትን ለውጥታት ወቕቲታትን፤ ኮታ ኣብ ኩሉ ስርዓታት ዝተፈላለዩ ሓይልታት ብዘደንቕ ውህደት ብሓባር ክዓዩ ከለዉ ተዓዘበ፣ እዚ ኣመና ዓቢን በሊሕን ሓይሊ፤ ንዝተፈላለዩ ጠንቅታት ኣድማስ ኣብ ሓደ ዝተደልየ እዋን ብሓባር ተዋሃሂዶም ብምስራሕ ዝተደልየ ውጺኢት ከተግብሩ ይገብሮም፣ ኩሉ ኣካላት ባህሪ ነቲ ሓደ ላዕለዋይ ሕጊ ተማእዚዙ ብምዕሩይ መንገድን ብዘይምቅይያርን ክኸይድ ዝገብሮ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ከም ዘሎ። ወላ ነቲ ኣብ ብዙሓት ኣማልኽቲ ዝኣምን ሰብ ብሩህ ኮነ።\n…………………………… ይቕጽል……\n\n2ይ ክፋል\n\nኣሰላሙዓለይኩም ወራሕመቱላሂ ወበረካትሁ!!\n\nዓቒዳ\/እምነት 2ይ ክፋል.\n\nእምባኣር ኩቡራት ሙእሚኒን የሕዋተይ ወዲ ሰብ ዋላ\"ኳ ነዚ ካብ ኩሉ ዝዓበየ ኣምላኽ ብዝተፈላለየ ኣስማት ይጸውዓዮ ዳኣ’ምበር ካብ ጸላም ድንቁርንኡስ ገና ኣይተላቐቐን።\n\nምኽንያቱ ምስቲ ዓቢ ኣምላኽ ነቶም ዝተፈላለዩ ነኣሽቱ ኣማልኽቲ ምምላኽ’ውን ኣይቛረጸን፣ እቲ መሎኮታዊ ንግስነት ምስቲ መሬታዊ ንግስነት ሓደ ኢዩ ዝኸውን ኢሉ ገመተ፣ ስለዝኾነ ከምቲ ሓደ መራሒ ዝተፈላለዩ ሚኒስተራት፡ እሙናት መሻርኽቲ፡ ኣማሓደርትን ሰራሕተኛታት ቤት ጽሕፈትን ዝህልውዎ፤ ከምኡ ድማ ኣብ ትሕቲ’ቲ ላዕለዋይ ኣምላኽ ዝዓዩ ዝተፈላለዩ ነኣሽቱ ኣማልኽቲ ኣለዉ በለ፣ ብዘይናቶም ፍቓድን ቡራኴን ድልየቱ ዝረክብ ኮይኑ ስለዘይስመዖ፡ ነዓኣቶም ድማ ብማዕረ ኣምለኾም፣ ፍልጠት እናወሰኸ ብዝኸደ ግን በቶም ብዙሓት ሰብ-ሰርሖ ነኣሽቱ ኣማልኽቲ ዝነበሮ ዕግበት እናጎደለ ከደ፣ ብኡ መጠን ቁጽሪ ናይቶም ዘምልኾም ኣማልኽቲ እናቐነሶም ከደ፣ ኣብ መወዳእታ ነቲ ሓደ ዓቢ ኣምላኽ ጥራሕ ኣትረፈ፣ እዚ ኣብ መወዳእታ ዝማዕበለ ኣምር ኣምላኽ እወንታዊ እኳ እንተመሰለ፡ ገና ተረፍመረፍ ካብ ሕሉፍ ባእታታት ድንቁርና ግን ሓቚፉ ይርከብ፣ ገለ ህዝብታት ኣምላኽ ምስሊ ሰብ ዝሓዘ ኢዩ ይብሉ፣ ገሊኦም ድማ ኣምላኽ ብ ናይ ሰብ መልክዕ ናብ ምሬት መጺኡ ነይሩ፣ ካልኦት ከኣ ኣምላኽ ንኣድማስ ምስ ሃነጸ ኣዝዩ ስለ ዝደኸመ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዕረፍቲ’ዩ ዘሎ ይብሉ።\n\nካልእ ጉጅለ ድማ ኣምላኽ ብሞንጎኝነት ቁዱሳት ሰባትን መላእኽትን እንተዘይኮይኑ ጾሎትን ምሕጽንታን ኣይሰምዕን፣ ገለ ድማ ባዕሎም ንዝቐረጽዎ ምስሊ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚኦም ከይገበሩ ወይ ብእምሮኦም ነቲ ስእሊ ከይሓሰቡ ክጽልዩ ኣይክእሉን፣ ኣብዚ ብምህሮን ሓበሬታን ዝልለ ዘመን ድማ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሓሳባት ገና ብሰፊሑ እናተተግበሩ ይርከቡ ኣለዉ።\n\n\nብርግጽ እቲ ጥርዚ ናይ ኣፍልጦ ኣላህ ኢዩ፣ ኣላህ ንኩሎም ነቢያቱ ወይ ልኡኻቱ ብቐንዱ ተውሒድ ከስተምህሩ ኢዩ ልኢኽዎም፣ ኣፍልጦ ተውሒድ ሒዙ መጀመርታ ዝመጸ ኣቦና ኣዳም ነይሩ፣ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ነናብ ህዝቦም ከብጽሑ ድማ ነቢይ ኑሕ\/ኖህ፡ ኢብራሂም\/ኣብራሃም፡ ሙሳ\/ሙሴ፡ ዒሳ\/ኢየሱስ ክርስቶስ (ናይ ኣላህ ሰላም ኣብ ልዕሊ ኩሎም ይውረድ) ካብ ኣላህ ተላኢኾም መጺኦም፣ ነዚ ትምህርቲ’ዚ ናይ መወዳእታ ቅርጹን መዕለቢኡን ከትሕዞ ድማ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ደምዳሚ ወይ ዛዛሚ ነብያት ኣላህ ብሙዃን ናብ መላእ ዓለም መጺኡ፣ ጽሩይ፡ ሓቐኛን ፍጹምን ኣምር ኣላህ ድማ ኣመሓላሊፉልና ኣሎ፣ ወዲሰብ ከሓዲ ፈጣሪኡ ዝኸውን ንምህሮ ናይቶም ዝሓለፉ ነቢያት ብምውንዛፍ። ኣብ ናይ ውልቁ ግጉይ ትንተናታት፡ ግምታትን ኣድልዎ ዘለዎ ኣተሮጓጉማን ምስ ዝሙርኮስ ጥራሕ ኢዩ።\n\nትርጉም ላ ኢላሃ ኢላ’ላህ ኣዝዩ ሰፊሕ ኢዩ። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገለጸ ግን “ብዘይካ ሓደ ኣላህ ካልእ ኣምላኽ የለን” ተባሂሉ ብሓጺሩ ክትርጎም ይኽእል፣ ስለዝኾነ ብዘይካ ኣላህ ሓደ’ኳ ፍጡር ወዲሰብ ይኹን ማተርያላዊ ነገር፡ ንክምለኽ ዝግበኦ መለኮታዊ ሓይልን ስልጣንን ዝውንን የልቦን፣ ኩሉ ፍጡር ዘበለ ጎደሎን ዘይሙሉእን ኢዩ፣ እቲ ክንኣምነሉ ዘለና ሓደ ኣምላኽ ግን ፍጹም ኢዩ፣ ንሱ መለኮታዊ መለለይታት ይውንን፣ ኣዛዚ ናይ ኩሎም ክስተታት ድማ ኢዩ።\n\nፈጣሪ ናይዚ ምዕሩግን ሰፊሕን ኣድማስ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሓጋጊ ስርዓት ባህርን ተቖጻጻሪኡን ኣማሓዳሪኡን’ውን ኢዩ፣ ምስዚ ጎይታ ኩሉ እንርእዮን ዘይንርእዮን ዘበለ ፈጣሪ ዝዳረግ ሓደ’ኳ የለን፣ ኣብ ሞሎኮታውነቱ ዝኾነ መሻርኽቲ የብሉን፣ ነዚ ኣምላኽ’ዚ ኢና ንሕና ኣመንቲ እስልምና “ኣላህ” ንብሎ።\n\nብርግጽ ብዘይኩኡ ካልእ ኣምልኽ ብፍጹም የለን፣ ጽልዋ ተውሒድ ኣብ መነባብሮ ወድሰብ\nእስከ ሕጂ ቀጺልና ጽልዋ ናይዛ መሰረት እምነት እስልምና ዝኾነት ሓረግ ማለት “ላ ኢላሃ ኢላ’ላህ” ነስተውዕል፣ ብኣ ዝኣመነ ኣብ ዓለማዊ ህይወቱን ኣብቲ ድሕሪ ሞት ዘሎ ዘልኣለማዊ ህይወትን ዕዉት ኢዩ፣ በንጻሩ ካብቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ወጻኢ ንካልእ ዘምለኸ ግን ክሳርኡ ኣብ ዓለም ጥራሕ ኣይኮነን።\n\nሓልዮቱን ኣገልግሎታቱን ንሓደ ጸቢብ ጉጅለ ጥራሕ ዝጠመተ ኣይኮነን። ኣጠማምቱኡ ዓቢ፡ ደረት ንቕሓቱን ፍልጠቱን ድማ ከምቲ ንግስነት ኣላህ\/ ኣምላኽ ሰፊሕ ኢዩ፣ እዚ ብልጫ’ዚ እቶም ጠቕላላ ኣብ ኣምላኽ ዘይኣምኑ፡ ኣብ ብዙሓት ኣማልኽቲ ዝኣምኑን ኣብ ካልኦት ፍጡራት ኣካላት ዝኣምኑን ክረኽብዎ ዘይክእሉ ዓቢ ብልጫ ኢዩ።\n\nኩሉ ሓይሊ ምዃኑ ስለ ዝኣምን፡ ካብኡ ወጻኢ ረብሓታቱ ከይክልክሉሉ ወይ ከይጎድእዎ ዝፈርሖም ኣካላት የብሉን፣ ሽሻይ ዝህብን ዝኸልእን፡ ህይወት ዝሰኩዕን ህይወት ዝወስድን ሓደ ኣላህ ምዃኑ ኣንዳዕዲዑ ስለ ዝርዳእ፡ ብፍርሒ ዝሰግደሉን ዝመሻኸነሉን ሰብ ይኹን ካልእ ፍጡር የልቦን። \n\nንጸሎት የእዳዉ ናብ ኣላህ ጥራሕ እንተዘይኮይኑ ናብ መላእኽቲ ይኹኑ ካልኦት ቅዱሳት ሰባት ኣይዝርግሕን፣ ዕብየት ናይ ኣላህ እንተዘይኮይኑ ናይዝኾነ ካልእ ኣይዓጦን ኢዩ፣ ንመላእኽቲ ይኹኑ ቁዱሳት ሰባት ንዖኦም ዝግባእ ክብሪ ዝህቦም’ኳ እንተኾነ፡ ምስ ኣላህን ልዕሊ ኣላህን ግን ኣይሰርዖምን ኢዩ፣ እዚ ርትዓዊ ኣረኣእያ’ዚ ብርግጽ ንተውሒድ ብምፍላጥን ምርዳእን ጥራሕ ክንረኽቦ እንኽእል ብልጫ ኢዩ።\n\nሓሶትን ምስሉይነትን ኣብ ጥቕኡ ኣየቕርብን፣ ገታር፡ ትዕቢተኛን ሓሳድን ሰብ’ውን ኣይከውንን፣ ስሰዐ፡ ሸፈጥ፡ ዓብላልነትን ቅድም ነዓይን ኩሉ ነዓይን ዝብል እኩይ ሓሳባት ኣብ ኣእምርኡ ቦታ የብሎምን፣ ኩሉ እቲ ዝውንኖ ናይ ኣላህ ምዃኑ፡ ኣላህ ድማ ኣብ ዝደለዮ እዋን ክወስዶ ከምዝኽእል ስለዝፈልጥ፡ ብዘለዎ\nጥዕና ይኹን ሃብቲ ኣይንየትን፣ በንጻሩ ኣብቲ ብርቂ ዝኾነ ሓደ ኣላህ ዘይኣምን ሰብ፤ ኣብ ዓለማዊ ህይወቱ ዓወት ምስ ዝረክብ፤ ዓወቱ ምስ ብልሑን ውልቃዊ ጻዕሩን ጥራሕ ኢዩ ዘተኣሳስሮ፣ ስለዝኾነ ድማ መን ከማይ ብምባል ብትዕቢት ኣይትሓዙኒ ኢዩ ዝብል።\n\nዝግንዘብ፤ ኣማኒ ተውሒድ ብሰናይ ተግባር ኢዩ ዝመላለስ፣ ከምቶም ኢ-ዚሄራውያንን ብዙሐ-ዚሄራውያንን ኣብ ዘይጭበጥ ትምኒት እናንሳፈፈ ኣይነብርን፣ ገለ ካብኣቶም ወዲ ኣምላኽ ንሓጥያትና ሓጺብዎ ኢዩ ይብሉ፣ ገሊኦም ድማ ሕሩያት ኣምላኽ ስለዝኾና ኣምላኽ ኣይቐጽዓናን ይብሉ፣ ገሊኦም ድማ እቶም ቁዱሳት ኢዮም እናበሉ ዘምለኽዎም ፍጡራት ሞንጎኛታት ብሙዃን ከድሕኑና እዮም ኢሎም ይሓልሙ፣ እቲ ትርጉም ዘይብሉ ተስፋታት ኣመና ብዙሕ ኢዮ፣ ድሒና ኢና፡ እከለ ክወሓሰና ኢዩ፡ ወ.ዘ.ተ. ስለ ዝብሉ ነቲ ተዓዛቢን ሰማዒን ኩሉ ዝኾነ ሓያል ኣላህ ኣይፈልጥዎን፣ ጽባሕ ንግሆ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ኣብ\nቅድሚ ጎይታ ቀሪቦም ን እምነቶምን ተግባራቶምን በብሓደ ክሕተትሉ ምዃኖም ይዝንግዑ፣ ስለዝኾነ ብቕይዲ በተኽነት ነብሶም ዝኣዘዘቶም ወትሩ ብምምላእ ጊላታት ድልየታቶምን ስምዒታቶምን ይኾኑ፣ ኣማኒ ሓደ ኣላህ (ተውሒድ) ግን ከምኡ ኣይገብርን።\n\nዝብሎን ዝገብሮን ዘበለ ኩሉ ከምዝሕተተሉ\nስለዝፈልጥ ብሓላፍነታዊ መንገዲ ኢዩ ዝንቐሳቐስ፣ እዚ ስነ-ምግባር እዚ ውጽኢት ተውሒድ ወይ ላ ኢላሃ ኢላ’ላህ ኢዩ።\n\n\nበንጻሩ ብ ሓደ ኣላህ ዘይኣምን ሰብ ኣተሓሳስብኡ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ፣ ሽግር ምስ ዘጋጥሞ ዓለም ከም ኣፍ ዑንቂ ትጸቦ፤ ዘልዕሎን ዝጭብጦን ኣይፈልጥን፤ ዝውስኾ እኳ እንተዘይብሉ ጸርጸር ይብል የማርር፤\nኣብ ሚዛን ኣጠማምትኡ፡ ካብቲ ተጻዋርነቱን ትዕግስቱን እቶም ጎኒፎሞ ዘለዉ ጸገማት ዝኸብዱ ስለ ዝመስሎ ነፍሰ-ቅትለት ይፍጽም፣ እታ ነብሱ ናቱ ዘይሙዃና ኣበይ’ሞ ኢልዎ!።\n\n\nሀ). ልዑል ፍቕሪ ህይወትን ክቱር ፍርሒ ሞትን\nለ).ካብ ኣላህ ወጻኢ ሞት ዘምጽእን ሞት ዝከላኸልን ኣካል ኣሎ ኢልካ ምሕሳብን ኢየን።\n\nይኹን’ምበር ሙሉእ እምነት ተውሒድ እንተልዩ እዘን ክልተ ምኽንያታት ፍጹም ቦታ የብለንን፣ ዝኾነ ሰብ ህይወቱ፡ ንብረቱን ካልእ ነገራትን ናይ ኣላህ ምዃኑ ተውሒድ ምስ\nመሃሮ፡ ዓቀኑ ዚሓለፎ ፍቕሪ ህይወትን ፍርሒ ሞትን ንእለቱ ኢየን ዝጠፍኣሉ፣ ምእንቲ ኣላህ ዝድለ መስዋእቲ ክኸፍል ድማ ድሉው ይኸውን፣ ዝተራቐቐ ኣጽዋር ይኹን ዝሓየለ ሰብን እንስሳን ብዘይፍቓድ ኣላህ ህይወቱ ክወስዱ ከምዘይክእሉ ምስ ፈለጠ ድማ ካብታ ካልአይቲ ፍርሒ ይናገፍ፣ ዝኸበደ ሕማም\nይሕመም፡ ኩሎም ሓይልታት ተጠርኒፎም የጥቕዕዎ፡ ካብታ ኣላህ ዝወሰነሉ ዕለት ኣየጉድል ኣይውስኽ፣ በዚ ምኽንያት’ዚ ካብ ኣማኒ ሓደ ኣላህ ዝኾነ ሰብ ዝተብዕ ሓደ’ኳ የለን።\n\nድማ ተኣዛዝን ተምበርካኽን ሕጊ ኣላህ ከምትኸውን ይገብረካ፣ ሓደ ኣማኒ ተውሒድ፡ ንዑኡ ኣላህ ካብ ዝኾነ ካልእ እቲ ዝቐረበ ኢዩ፣ ጸልማት ጉልባብ ጌሩ ወይ ብሓደ ኩርናዕ ተኸዊሉ ሓጥያት እንተፈጸመ’ውን ካብ ሰብ እምበር ካብ ኣላህ ከምዘይሕባእ ይፈልጥ፣ ኣላህ ፈላጢ ሕቡእን ግሉጽን’ዶ ኣይኮነን!!!\n\nንዝኾነ ከተታልል ትኽእል ንኣላህ ምትላል ግን ብጥራሽ ኣይከኣልን፣ ስለዚ ሙስሊም ንሙዃን እቲ ዝዓበየን ቀንድን ቅድመ-ኩነት ኣብዛ ረዛን ኢስላማዊት ከሊማህ ማለት ኣብ “ላ ኢላሃ ኢላ’ላህ” ምእማን የድሊ፣ ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ከምዝረኣናዮ ሙስሊም ማለት ንፈጣሪኡ ስዩም ብምባል ዝተንበርከኸ ወይ ኢዱ ዝሃበ ማለት ኢዩ።\n\nነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ነዚ ረዚን ምህሮ ኢዮም ኣመሓላሊፎም፣ ላ ኢላሃ ኢላ’ላህ ዝብል ኣምር እምነ-ኩርናዕ እስልምናን እምነትን ኢዩ፣\nካልኦት ትእዛዛትን ሕጊታትን እስልምና ኣብዚ መሰረት’ዚ እዮም ዝትከሉ፣ ብርግጽ እስልምና ዘይተንከፎ ኣርእስቲ የለን።\n\nእንሻኣሏህ ይቕጽል…………………\n\nኣሰላሙዓለይኩም ወራሕመቱላሂ ወበረካትሁ!!\nኩቡራት ሙእሚኒን የሕዋተይ እቲ ካልኣይ ሩክኒ ሚን ኣርካን ኣል ኢማን እምነት ብመላእኽቲ እዩ!!\n\n\nነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ብ ህላወ መላእኽቲ ኣላህ ክንኣምን እውን ኣዚዙና ኢዩ፣ ካብቶም ዝጠቐስናዮም ሽዱሽተ ዓንድታት እምነት፤ ድሕሪ እምነት ብሓደ ኣላህ፤ እዚ እምነት’ዚ ብካልኣይ ደረጃ ኢዩ ዝስራዕ።\n\nነቢይ ሙሓመድ ሰ,ዓ,ወ ብዘመሓላለፉልና ሓበሬታ መሰረት፡ መላእኽቲ ፍጡራት ኣላህ እዮም፣ ኣብ መሎኮታውነት ኣላህ ግና ዝኾነ ብጽሒት የብሎምን፣ መላእኽቲ ኣላህ እሙናት ኣምለኽቱን ኣተግበርቲ ትእዛዛቱን ጥራሕ እዮም፣ ዝተኣዘዝዎ ዕዮ ብምልኣትን ብጽፈትን የከናውኑ፣ ብዘይፍቓድ ኣላህ ሓንቲ እመት’ውን ትኹን ኣይንቀሳቐሱን፣ ብድልየቶም ዝኾነ ነገር ክገብሩ ሓንቲ ስልጣን የብሎምን፡፡\n\nናታቶም ውጥን ወይ ፕሮጀክታት ከቕርቡን ብዛዕባ ዝኾነ ሰብ ምስ ኣላህ ከማልዱን (ክምሕጸኑ) ፍቓድ ኮነ ክእለት የብሎምን፣ ነዓኣቶም ምምላኽን ምሕጽንታ ምቕራብን ንወዲሰብ ውርደትን ሕስረትን ጥራሕ ኢዩ፣ ምኽንያቱ ኣላህ ኣብታ ንኣዳም ዝፈጠረላ ቀዳመይቲ መዓልቲ ፡ መላእኽቲ ን ኣዳም ክሰግዱሉ ኢዩ ኣዚዝዎም።\n\nኣላህ ንወዲሰብ ካብኣቶም ንላዕሊ ንቕሓትን ፍልጠትን ኢዩ ሂብዎ፣ ወዲሰብ እቲ መላእኽቲ ዝሰገዱሉ ዝኸበረ ፍጥረት ክንሱ ከመይ ኢሉ ነቶም ዝሰገዱሉ ፍጡራት የምልኽ?፣ ብርግጽ ንሓደ ዘስተውዕል ሰብ ካብ ንመላእኽቲ ምምላኽ ዝዓቢ ወርደት ከቶ የልቦን፣ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ን መላእኽቲ ከይነምልኾምን ምስ ኣላህ ከይነዛምዶምን ብጽኑዕ ኣጠንቂቖምና ኢዮም።\n\nበቲ ነዓኣቶም ዝምልከት ብሉኡኽ ኣላህ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ዝተዋህበና ሓበሬታ ብምቕባል ህላዌኦም ምእማን ጥራሕ ኢዩ እቲ ካባና ዝድለ፣ መላእኽቲ ኣላህ ሕሩያት ፍጡራቱ እዮም፣ ካብ ሓጥያት\/ዘንቢ ነጻ እዮም ጥራሕ ዘይኮነ፡ በቲ ኣላህ ዝሃቦም ባህሪ ካብ ትእዛዛቱ ወጻኢ ክሕንግዱ ብፍጹም ኣይክእሉን፣ ነቢይና ሰ,ዓ,ወ ከም ዝሓበሩና መላእኽቲ ኣላህ ብኹሉ ሸነኻት ኣኽቢቦምና እዮም ዝርከቡ፣ ኣብ ዝተንቀሳቐስናዮ ቦታ ወትሩ የሰንዩና፣ ኩሉ እቲ እንፍጽሞ ሕማቕን ጽቡቕን ተግባራት ድማ እናተዓዘቡ ይስንዱ፣ ድሕሪ ሞት ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ናይቲ ኣብ መሬት ከለና ዝገበርናዮ ሙሉእ ጸብጻብ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣላህ የረክቡ፣ ኩሉ እቲ ዝተመዝገበ ብሙሉኡ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ቁኑዕ ኮይኑ ድማ ክንረኽቦ ኢና።\n\nብዛዕባ ውሽጣዊ ባህርያት መላእኽቲ ዝተሓበርናዮ’ኳ እንተዘየለ፡ ገለ ብዛዕባ ክብሮምን መለለይታቶምን ግን ተጠቒሱልና ኣሎ፣ ከምቲ ኣቀዲሙ ዝተጠቕሰ ብሃለዋቶም ክንኣምን ድማ ንሕተት፣ ካብዚ ወጻኢ ብዛዕባ ፍጥረቶም፡ ዓይነቶምን መለለይታቶምን ክንፈልጠሉ እንኽእል ካልእ መንገዲ ወለሓደ የለን፣ ብቕርጻ ይኹን ብቅብኣ ወይ ብዝኾነ መልክዕ ብምስሊ ከነዳልዎም እንተፈቲንና ብኣጠማምታ እስልምና ዓቢ ሓጥያት ኢዩ።\n\nነቲ ዝተነገረና ብምስዓብ ክንኣምን ጥራሕ ኢዩ ዝግባእ፣ መላእኽቲ ዝበሃሉ የለዉን ኢላካ ምንጻግ ግን ኩፍር ወይ ክሕደት ኢዩ፣ ምኽንያቱ ሓደ እንነጽገሉ መርትዖ የብልናን ካልኣይ ድማ ከምኡ ብምባልና ን ኣስተምህሮ ንነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ዳርጋ ምንጻግ ኢዩ ዝቑጸር፣ ብሓጺሩ ብመላእኽቲ ኣላህ ንኣምነሉ ቀሊል ምኽንያት ልኡኽ ጎይታ ዝኾኑ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ክንኣምን ስለ ዝኣዘዙና ኢዩ።\n\nእቲ ሳልሳይ ድማ እምነት ብመጻሕፍቲ ኣላህ እዩ።\n\n\nእቲ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ክንኣምነሉ ዝኣዘዙና ሳልሳይ ዓንዲ እምነት ብመጻሕፍቲ ኣላህ ምእማን ኢዩ ነይሩ፣ ቅድሚ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ኣላህ ናብ ዝተፈላለዩ ልኡኻቱ ቁዱሳት መጻሕፍቲ ልኢኹ እዩ፣ ልክዕ በቲ ንቁርኣን ዝሰደደሉ ኣገባብ ድማ እዩ ሊኢኽዎም፣ ገለ ካብቶም ኣላህ ዝለኣኾም መጻሕፍቲ ኣብ ቁርኣን ዝተጠቐሱ ኣለዉ ንሳቶም ድማ÷\n\nእዞም ኣርባዕተ መጻሕፍቲ ኣላህ፡ ኣብ ቅዱስ ቁርኣን ብስም ዝተጠቕሱ እዮም፣ ናይቲ ኣላህ ናብ ካልኦት ነቢያቱ ዝለኣኾም ኣስማት መጻሕፍቲ ግን ኣብ ቁርኣን ኣይተሓበረን፣ ስለዝኾነ በቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍሊ ዓለም ዘለዉ ሃይማኖታውያን መጻሕፍቲ ኣፍና መሊእና ምንጮም ካብ ኣላህ እዩ ወይ ኣይፋሉን ኢልና ኪንዛረብ ኣይንኽእልን፣ ብሓፈሻ ግን ዝኾነ ይኹን ኣላህ ዝለኣኾ መጽሓፍ ካብ ኣላህ ክሳዕ ዝኾነ ቅኑዕ ኢዩ፣ መዝሙር ዳዊት፡ ቶራህ ናይ ሙሴን ወንጌል ናይ ኢየሱስን ግን ምስ ኣይሁድን ክርስትያንን ኣለዉ፣ እንተኾነ ኣላህ ኣብ ቁርኣን ከምዝሕብረና እቶም መጻሕፍቲ በቲ ኣላህ ዝለኣኾም መልክዕ መቦቆላዊ ትሕዝቶኦም ከምቲ ዝተላእኮ ኣይተዓቀበን፣ ምቅይያራትን ተወሰኽቲ ሓሳባትን ተገይርሎም ኢዩ፣ ስለዝኾነ እቲ መበቆላዊ ትሕዝቶ ቃል ኣምላኽ ምስቲ ድሒሩ ብሓንጎል ሰባት ዝተወሰኸ ስለዝተሓዋወሰ ብዙሕ ምግሕማጥ ኣልዎ።\n\nእቲ ኣብቶም መጻሕፍቲ ዝተኻየደ ብልሽውናን ብከላን ኣዝዩ ግሉጽን መጠነ-ሰፊሕን ስለዝኾነ፡ ሎሚ ብዙሓት ኣይሁድን ክርስትያንን ነዚ ርኡይ ሓቂ ይቕበልዎ እዮም፣ እቲ መቦቆላዊ ጽሑፍ ዘይኮነ። ትርጉሙ ጥራሕ ኣብ ኢዶም ምህላዉ ይዛረቡ፣ እዚ ተተርጒሙ ዝተዳለወ ንባዕሉ ኣብ ነዊሕ ዘመናት ብዙሕ ለውጢ ከም እተገብረሉን ሕጂ’ውን እንተኾነ ኣብ ሓደ ከምዘይረገአ ተፈሊጡ ኣሎ፣ ነዞም መጻሕፍቲ ብጥንቃቐ ከነጽንዖም እንተፈቲና፡ ቃል ኣምላኽ ክኾኑ ዘይክእሉ ሑጥበ-ጽሑፋትን ጥቕስታትን ኣለዉ፣ ብሓፈሻ እቶም ጽሑፋት ብጣዕሚ ስለዝተሓዋወሱ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ኣየናይ ካብ ኣምላኽ ኣየናይ ከ ብሰብ ዝተሓወሰ ምዃኑ ንምፍላይ የሸግር እዩ፣\nሓደ ሙስሊም ብመጻሕፍቲ ኣላህ ይኣምን ኢዩ ክበሃል ከሎ፡ በቲ ሕጂ ሒዞሞ ዘለዉ ትሕዝቶ ዘይኮነ፡ ኣላህ ብርግጽ ቅድሚ ቅዱስ ቁርኣን ጽፉፋት መጻሕፍቲ ሊኢኹ ምንባሩ ምቕባል ንማለት ጥራሕ እዩ፣ እቶም ካብ ኣላህ ናብ ዝተፈላለዩ ነብያት ዝተላእኩ መጻሕፍቲ ምንጮም ካብ ሓደ ኣላህ እዩ ነይሩ፣ እቲ ን መጻሕፍቲ ሙሴ፡ መዝሙር ዳዊትን ወንጌል ኢየሱስን ልኢኹ፣ ብተመሳሳሊ እቲ ነቶም ዝጠቐስናዮም መጻሕፍቲ ዝለኣኸ ሓደ ኣላህ ናይ መወዳእታን ዛዛሚን ኪዳኑ ዝኾነ ቅዱስ ቁርኣን ናብ መላእ ህዝቢ ዓለም ልኢኽዎ፣\nኣላህ ንቅዱስ ቁርኣን ከም መሎኮታዊ መጽሓፍ ምልኣኹ ሓድሽን ዘገርምን ፍጻሜ ኣይኮነን።\n\nቅዱስ ቁርኣን ንሓቐኛ መልእኽታት ናይቶም ዝጸነቱን ዝተበረዙን መጻሕፍቲ ደጊሙ ክኹልዕን ከረጋግጽን ኢዩ መጺኡ፣ ኣብ ሞንጎ ቁርኣንን እቶም ኣቀዲሞም ዝተላእኩ መጻሕፍቲ ኣላህን ዓበይቲ ፍልልያት ኣለዉ ኣሕጽር ኣቢልና ገለ ካብቶም ብቐንዲ ዝጥቐሱ ጥራሕ ንርአ÷\n\nበንጻሩ ቁርኣን በቲ መቦቆላዊ ትሕዝቱኡን ቛንቁኡን ሓንቲ ንጽል ፊደል ከይጎደለቶ ልክዕ ከምታ ናብ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ዝተላእካ ብኽብሪ ተዓቂቡ ይርከብ፣ ከም’ቶም ቀዳሞት ጽሑፋት ዝኾነ በደል ከይወርዶ ኣላህ ባዕለይ ክሕልዎ እየ ኢሉ ቃል ኣትይሉ እዩ።\n\nዝተመስከረ እዩ።\n\n\nቁዱሳት ጽሑፋት ወላ’ውን በቲ ዝተላእክዎ መልክዕ ተዓቂቦም እንተ ዝጸንሑ ነይሮም፡ ኣብዚ ግዜና በቲ ሓቐኛ መንፈሶምን ትርጉሞምን ተረዲእካ ኣብግብሪ\nምውዓሎም ኣመና መሸገረ ነይሩ፣ በንጻሩ ቁርኣን ዝተላእከሉ ቛንቋ ገና ብህይወት ዘሎ ቛንቋ እዩ፣ ሚልዮናት ኣህዛብ ይዛረብዎ፣ ካልኦት ሚልዮናት ድማ ይርድእዎን ይፈልጥዎን፣ ሎሚ ቛንቋ ዓረብኛ ዳርጋ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዘለዋ ዩኒቨርሲታት ዘስተምህራሉ ቛንቋ ኢዩ፣ ዝኾነ ሰብ ክመሃሮ ይኽእል ኢዩ።\n\nእቲ ንኽመሃሮ ግዜ ዘይብሉ ሰብ፡ ነቲ ቛንቋ ዝፈልጥ ሰብ ኣብ ዝኾነ ቦታ ኪረክብ ስለዝኽእል። እንተወሓደ ንቁርኣን ነቢቡ ክገልጸሉ ይኽእል ኢዩ።\n\n\nከምቲ ዝተጠቐሰ ዕላማ እቶም ጽሑፋት ንውሱን ግዜ’ምበር ንዘልኣለም\nክቕጽሉ ኣይኮኑን፣ ወላ’ቶም ዝተቐበልዎም ኣህዛብ ንዝተወሰነ እዋናት ክጥቐሙሎም ጥራሕ እዮም ተላኢኾም፣ በንጻሩ ቁርኣን ንመላእ ህዝቢ ዓለምን ንኩሉ ግዜን ዝተለኣኸ ቃል ኣምላኽ እዩ።\nንፍሉያት ኣህዛብ እናረቖሐ ዘይኮነ ንወዲሰብ ብሓፈሻ እዩ ዝዛረብ፣ ዘልኣለማዊ ሕጊ ሰብኣውነት ድማ ኢዩ።\n\nዝምህሩ ኣይኮኑን ኢልካ ምኽሓድ ርትዓውነት ዘይብሉን ስምዒታውን ዘረባ ኢዩ፣ ክብሪታት ወዲሰብ ንክጸንዕ ብርግጽ ዓቢ ኣበርክቶ ነይርዎም እዩ።\nይኹን’ምበር ልክዕ ከም ናይ ቅዱስ ቁርኣን ብኹሉ መዳያቶም ኣጠቓላሊ መልሲ ዝህቡ ኣይኮኑን፣ ገሊኦም ኣብ ሓደ ኣርእስቲ ጥራሕ ዘተኮረ ትምህርቲ ይህቡ፡ ገሊኦም ድማ ኣብ ካልእ ጉዳይ የተኩሩ፣ ኮታ ንኹሉ ግዜ ዝኸውን መምርሒን ስርዓትን ክውንኑ ብዙሕ ዝተርፎም ኣሎ፣ ቁርኣን በንጻሩ ዘይትንክፎ ጉዳይ ናይ\nህይወት የለን፣ ካብቲ ዝደቐቐ ክሳዕ እቲ ዝለዓለ ጉዳያት ህይወት ሓቚፉ ይርከብ፣ በዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱን ካልኦት እልቢ ዘይብሎም ምኽንያታትን ኣደናቒ ባህርያት ቁርኣንን እዩ ‘ምበኣር መላእ ህዝቢ ዓለም ናብኡ ክኣምን ብኣላህ ዝእዘዝ፣ ኩሉ’ቲ ናይ ቀደም ጽሑፋት ኣወንዚፉ ነዚ ደምዳሚ ኪዳን ኣላህ ዝኾነ ቁርኣን ክስዕብ ኣሎዎ፣ ምኽንያቱ ትሕዝቶ ናይቶም ዘይተበረዙ ቀዳሞት ጽሑፋት ኣላህ ደጊሙ ኣብ ቁርኣን ኣስፊርዎ ኢዩ።\n\nስለዚ ኣብ እስልምና ኣንቱእሚኑቢኪታቢሂ ወይ “ብመጻሕፍቱ ክትኣምን” ክበሃል ከሎ፡ ነቶም ኣላህ ዝለኣኾም መጻሕፍቲ ኣላህ ብርግጽ ከምዝለኣኾም ምምስካር ማለት ጥራሕ ኢዩ፣ ኩሎም እቶም ዝተላእኩ መጻሕፍቲ ኣላህ ቁኑዓት ሙዃኖም፤ ኣኣብ ዝተላኣኽዎ ወቕቲ ንዝነበሩ ኣህዛብ ጥራሕ ከም እተላእኩን፤ በቲ ቁርኣን ዝተላእከሉ ዕላማ ከምእተላእኩን ምምስካር ሓደ ካብ ዓንድታት እምነት (ኣርካን ኣል ኢማን) ኢዩ፣ ንቁርኣን ብዝምልከት ግን\nክንኣምን ጥራሕ ዘይኮነ ክንስዕቦ’ውን ንሕተት!!\nንቁርኣን ብዝምልከት፦\n\n\n……………እንሻኣላህ ይቕጽል …………\n\nኣሰላሙዓለይኩም ወራሕመቱላሂ ወበረካትሁ!!\nኩቡራት ሙእሚኒን የሕዋተይ እቲ ራብዓይ ሩክኒ ሚን ኣርካን ኣል ኢማን እምነት ብሉኡኻት እዩ!!\n\nዓቒዳ\/እምነት 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል!!!\n\n\nኩቡራት ሙእሚኒን የሕዋተይ ኣብ’ቶም ዝሓለፉ ምዕራፋት ከምዝተጠቐሰ፡ ኣላህ ናብ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኣህዛብ ሉኡኻቱ ሰዲዱ እዩ፣ እቶም ዝተፈላለዩን ኣመና ብዙሓትን ዝኾኑ ነብያቱ ዘስተምሃርዎ ወይ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ግን ሙሉእ ብሙሉእ ሓደ ዓይነት መልእኽቲ እዩ ዝነበረ።\n\nእቲ መልእኽቲ ድማ “እስልምና” ይበሃል። ማለት ንኣምልኾ ሓደ ኣላህ ስዩም ብምባል ኢድካ ምሃብ ጥራህ እዩ ነይሩ እቲ ምህሮታቶም፣ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ነዚ ኣቦና ኣዳም ዝፈለሞ ምህሮ ቀጺልዎን ኣጠቓሊሉ ኣምጺእዎን እምበር ሓድሽ ትምህርቲ ኣየመሓላለፈን፣ ስለዝኾነ ልኡኻት ኣላህ መልእኽቶም ሓደ ስለ ዝነበረ፡ ኣላህ ባዕሉ ብኹሎም ክንኣምን ይእዝዘና፣ ንሓደ ኣሚንካ ንሓደ ካልእ ምኽሓድ ግን ጌጋ እዩ፣ ምኽንያቱ ብደቂቕ እንተ ኣስተውዒልናሉ ንሓደ ምእማን ነቲ ሓደ ምኽሓድ ማለት ንኹሎም ብጠቕላላ ከም ምንጻግ ማለት ኢዩ፣ ሕመረት ናይ’ዚ ኣምር ምእንቲ ኣጸቢቕና ክንርደኦ፡ እስከ ነዛ ንእሽቶ ኣብነት ንርአ÷\n\nዓሰርተ ሰባት ብፊደል ይኹን ብመንፈስ ፈጺሙ ዘይፍለ ሓንቲ ዓይነት ዓረፍተ-ነገር (ምሉእ ሓሳብ) ገበሩ ንበል። ንሓንቲ ካብዘን ዓረፍተ-ነገራት ቅንዕቲ’ያ ኢልና እንተተቐቢልና፡ ነተን ዝተረፋ ትሸዓተ ዓረፍተ-ነገራት ድማ ብርግጽ ክንቅበለን ኣለና፣ ምኽንያቱ እተን ዝተረፋ ትሸዓተ ምሉኣት ሓሳባት ካብታ ዝተቐበልናያ ምልእቲ ሓሳብ ዝፈልየን ወለሓንቲ የለን፣ ብተመሳሳሊ ንሓንቲ ካብተን ዓረፍተ-ነገራት እንተ ነጺግና ድማ ንኹሉ ከምዝነጸግና እዩ ዝቑጸር፣ ምኽንያቱ ኩለን እተን ዓረፍተ-ነገራት ሓንቲ ዓይነት ስለዝኾና።\n\nስለ’ዚ ኢዩ እምበኣር ኣብ ሃይማኖት እስልምና ብኹሎም ልኡኻት ኣላህ ምእማን ብጣዕሚ ኣገዳሲ ዝኸውን፣ ብኩሎም ነብያት እመን ዳኣ’ምበር። ፍልይ ኣቢልካ ንሓደ ነቢይ ኣይኣምነሉን’የ ምባል፤ ክሕደት ወይ ኩፉር ኢዩ ዝቁጸር፣ ኣብ ቅዱስ ቁርኣን ዕስራን ሓሙሽተን ነቢያት ብስም ተጠቒሶም ኣለዉ። ነዚኣቶም ብግቡእ ክንኣምነሎም ከለና፡ ነቶም ኣብ ቁርኣን ዘይተጠቐሱ ግን ኣላህ ሊኢኸዮም ኢየ ዝበለ ነቢያት ድማ ብድምዱሙ ሓቀኛታት ሉኻት ኣላህ ምንባሮም ንቕበል።\n\nክሎም ነቢያት ኣላህ ማዕረ እዮም ኢልና ኣለና፣ ከየበላለጽና ድማ ንኣምነሎምን ንቕበሎምን፣ ንማዕርነቶም ከየፍረስና ስለስተ ፍልልያት ግን ከነስተውዕል ንኽእል።\n\n\nክጠፍእ ከሎ፡ እቲ ዝተረፈ ድማ የእዳው ደቂ ሰባት ኣትይዎ ኢዩ። በንጻር’ዚ ቁርኣን ይኹን፡ ኣስተምህሮታት ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም)፡\nመደረታቱ፡ ልምድታቱን ሞራላውነቱን ብግቡእ ተዓቂቡ ኣሎ። ስለዝኾነ ካብቶም ቀዳሞት ነብያት ብዝያዳ ገና ህይወት ለቢሱ ዘሎ ሰብኣዊ መንነት\n(ፐርሰናሊቲ) ናይ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ኢዩ። \n\nብ ኣሰር እግሪ ናይዚ ናይ መወዳእታ ልኡኽ ኣላህ ዝኾነ ነቢይ ድማ ተኣማሚንካ ንሓደ ጎይታ ክትግዛእ ትኽእል።\n\nግዜ ዝኸይድ ሕግታትን መምርሒታትን እናሃበ ኢዩ ዝልእኮም ዝነበረ። ስለዝኾነ እቲ ቀጺሉ ዝመጽእ ነቢይ ወይ ልኡኽ ኣላህ ድማ ኣብቲ ዝጸነሐ ሕግታት ምቅይያራትን ምምሕያሻትን ይገብር ነበረ። ምኽንያቱ እቲ ግዜን እቶም ኣህዛብን ምስቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ብዙሕ ፍልልያት ኢዩ ዘለዎም። ነፍሲ-ወከፍ ስዒቡ ዝመጸ ነቢይ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ሕግታት እናመሓየሸን እናጸረበን ክሳዕ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ኣብጺሖሞ። ነቢይ\nሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ድማ ነቲ ዘይተማለአ ሕግታት ብምጽፋፍ፡ ንኹሉ መዳያት ህይወት ሓደ ብሓደ ዝትንክፍ ጎደሎ ዘይብሉ ሃብታምን ውዱእን ስርዓት ብምቕራብ፡ ነቲ ናይ ነብያት ሰንሰለት ዛዚምዎ። \n\nፍትዋት የሕዋተይ ብዘይወገንነት እንተ መርሚርናዮ፡ ኩሉ’ቲ ነዚ ህሉውን መጻእን ሕብረተሰባት ዘገድስ፡ ፍቕሪ፡ ሓልዮት፡ ምክብባርን ስኒትን ዘንግስ፡ ክስራሓሉ ዝኽእልን ዘልኣለማዊ ባህሪ ዘለዎን ስርዓታት ናይቶም ዝሓለፉ ነብያት ብምልኣት ኣብ እስልምና\nተጠቓሊሉ ኢና ንረኽቦ። ንነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ምኽታል እምበኣር ንኹሎም እቶም ዝሓለፉ ቀዳሞት ነብያት ከም ምኽታል ማለት እዩ።\n\nስለዚ ሓቀኛ ተምበርካኺ ኣላህ ወይ ሙስሊም ንሙኳን ኣብ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ሙሉእ እምነት ክህልወና ይግባእ፣ እዚ ማለት ድማ፦\nሓቀኛ ልኡኽ ኣላህ ምዃኑ ምቕባል፣\nኣስተምህሩኡ ካብ ጌጋታትን ብልሽውናን ነጻን ፍጹምን ምዃኑ ምምስካር፣\nነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ናይ መወዳእታን ዛዛሚን ናይቶም ሰንሰለታውያን ነቢያት ምዃኑን ብድሕሪኡ ዝኾነ ነቢይ ከምዘይመጽእን ምእማንን የድሊ።\n\nእቲ ሓምሻይ እምነት ብመወዳእታ ማዓልቲ ማለት (ብየውም ኣልቅያማህ).\n\n\nኩቡራት ሙእሚኒን የሕዋተይ ኣብ እስልምና እምነት ብ መወዳእታ መዓልቲ ሓደ ካብ ዓንድታት ኢማን\/እምነት ኢዩ፣ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ብ “ህይወት ድሕሪ ሞት” ወይ ድማ ድሕሪ ሞት ትንሳኤ ከምዘሎ ክንኣምን ይእዝዙና።\n\nሓደ መዓልቲ ኣብቲ ኣላህ ዝወሰኖ ዕለት ዓለማዊ ህይወት ክፍጸም ኢዩ፣ ኩሉ ነገር ድማ ጠቕላላ ኪዓኑ ኢዩ፣ እዚ መዓልቲ’ዚ “ቅያማ” ወይ መወዳእታ መዓልቲ ተባሂሉ ይፍለጥ፣ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ክሳዕ እታ መወዳእታ መዓልቲ ዝነበርና ኩላትና ደቂ ሰባት ዳግም ብህይወት ክንምለስ ኢና፣ ኣብ ቅድሚ ኣላህ ቀሪብና ድማ ግቡእ ፍርድና ንቕበል፣ እዚ ፍጻሜ “ሓሽር” ወይ ትንሳኤ ይበሃል።\n\nካብቲ ዝደቐቐ ክሳዕ’ቲ ዝለዓለ ዝፈጸምናዮም ተግባራት ብሙሉኦም ተሰኒዶም ስለዝጸንሑ፡ ንናይ መወዳእታ ፍርዲ ናብ ኣላህ ክንቀርብ ኢና፣ ስለዝኾነ ድማ እቲ ብሓደ ኣላህ ዝኣመነን ሰናይ ግብሪ ዘብዘሐን ሰብ ዝለዓለ ዓወት ብምጉንጻፍ ዓስቡ ይኽፈል፣ በንጻሩ እቲ ብዘይካ ኣላህ ንካልእ ዘምለኸን እከይ ተግባራቱን ሓጥያታቱን ዝበዘሐ ድማ ውርደትን መቕጻዕትን ይቕበሎ፣ ኣብቲ እዋን’ቲ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ብውልቁ ተሓታታይ ኢዩ፣ ሓላፍነት ዝስከመሉ ሓደ’ኳ የልቦን።\n\nኩቡራት ሙእሚኒን የሕዋተይ ብእምነትናን ተግባርናን ዳኣምበር፡ ካልእ ሰብ ብዝፈጸሞ ሓጥያት ብፍጹም ኣይንሕተትን፣ ወዲ ሰብ ካብ ሓጥያት ነጻ ኮይኑ ኢዩ ዝፍጠር፣ እቲ ለዋህ፡ ደንጋጽን ሩህሩህን ኣላህ ኣቦና ኣዳም ዝሓጠዮ ሓጥያት ኣሰኪሙ ኣይፈጥረናን ኢዩ፣ ኣላህ ብለውሃቱ ንኣዳም ነቲ ዝገበሮ ሓጥያት ኣብ እዋኑ ይቕረ ስለዝበለሉ፤ ዝሰጋገር መቦቆላዊ ሓጥያት ዝበሃል ነገር የሎን፣ ስለዝኾነ ንድሕነሉ ወይ ንሳቐየሉ እንኮ ጠንቂ። እምነትናን ተግባራትናን ጥራሕ ኢዩ፣ መወዳእታ መዓልቲ እምበኣር እቶም ዕዉታት ናብ ናይ ዘልኣለም ህይወትን ፍሰሃን ዝርከባ ገነት ዝኣትዉላ መዓልቲ ክትከውን ከላ፡ እቶም ሓጢኣተኛታት፡ ገበነኛታትን ኣምለኽቲ ካልኦት ፍጡራት ዝኾኑ ድማ ናብታ ናይ ዘልኣለማዊ ስቅያት ዝርከባ ገሃነመ-እሳት ዝድርበዩላ ማዓልቲ ኢያ።\n\nእቲ ሻድሻይ እነት ድማ እምነት ብ ኣልቕድር ቅድመ ድንጋገ ሕማቕ ይኹን ጹቡቕ ዘበለ ኩሉ ነገር ብፍቓድ ኣላህ ከምዝፍጸም ምእማን።\n\n\nሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ዘበለ ኩሉ ነገር ብፍቓድ ኣላህ ኢዩ ዝፍጸም፣ ኣላህ ከጋጥም ዝወሰኖ ዝኾነ ነገር ድማ ካብ ምግጣም ዝዓግቶ ዝኾነ ሓይሊ የለን፣ ስለዚ በቲ ኣላህ ኣቀዲሙ ዝደንገጎ ኩሉ ምእማን ኣካል ኢስላማዊ እምነት ኢዩ፣ ኣላህ ነቶም ዛጊት ዘጋጠሙን ብሕጂ ዘጋጥሙን ገና ከይጋጠሙ ከለዉ ከምዝፈልጦም ምእማን የድሊ፣ ኩነታት ፍጡራቱ፡ ተግባራቶም፡ ዝጸንሕዎ ዕድመ ብንጹር ዝፈልጥ ኣላህ ጥራሕ ኢዩ፣ ስለዚ ዝኾነ ሰብ ብመሎኮታዊ ቅድመ-ድንጋገ ወይ ኣልቐድር እንተኣሚኑ፡ እዞም ዝስዕቡ ረብሓታት ኪጎናጸፍ ይኽእል÷\n\n\nስለዝፈልጥ፤ ኣቀዲሙ ብምድንጋጉ ክቅይሮ’ውን ስለ ዘይክእል፤ ንዘለዎ ብምቕባል ናይ ኣእምሮ ቅሳነትን ህድኣትን ኢዩ ዝረክብ፣\nጽሟቕ ትሕዝቶ ናይቶም ኣብዚ ምዕራፍ ዝተጠቕሱ ኣምራት ሽዱሽተ ዓንድታት እምነት ኣብእስልምና÷\n\n1. እምነትብኣላህ፡ ንኣላህ ብንቕሓት ፈሊጥካን ተረዲእካን ከተምልኾን ክትግዘኦን ከምዘለካ፡ ኣብ ኣምልኾቱ ዝኾነ ፍጡር ወዲ-ሰብ ይኹን ኣማልኽቲ ክትሕውስ ከምዘይብልካ።\n\n2. እምነት ብመላእኽቲ ኣላህ፡ ንኣላህ (ሱ,ወ) እሙናት ኣምለኽቱን ኣተግበርቲ ትእዛዛቱን ዝኾኑ መላእኽቲ ከም ዘለዉዎ፤ ኣብ ሞሎኮታውነቱ ዝኾነ ብጽሒት ከምዘይብሎምን ንዖኦም ምምላኽ መጠነ-ገዚፍ ሓጥያት ምዃኑን ምእማን።\n\n3. እምነትብመጻሕፍቲ ኣላህ፡ ቅድሚ ቅዱስ ቁርኣን ኣላህ መጻሕፍቲ ከምዝለኣኸ\nምእማን፣ ካብኣቶም ኣብ ቁርኣን ዝተጠቕሱ ኣርባዕተ መጻሕፍቲ ኣላህ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦\n\n4. እምነትብልኡኻት ኣላህ፡ ኣላህ ናብ ኩሎም ህዝብታት ዓለም ነቢያት ወይ\nልኡኻት ከም ዝለኣኸ፤ እቶም ኩሎም ዝተላእኩ ነቢያት ነናብ ህዝቦም ከምዝለኣኾም፤ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ግና ደምዳሚ\/ዛዛሚ ነቢይነት ብሙዃን ናብ መላእ ህዝብታት ዓለም ከም እተላእከ፤ ተልእኹኡ ክሳዕ መወዳእታ መዓልቲ ዓለም ከምዝቕጽልን፤ ብድሕሪኡ ዝመጽእ ነቢይ\nከምዘየለን ምእማንን፣ ኣብ ቁርኣን ብስም ዝተጠቐሱ 25 ነቢያት ኣለዉ።\n\n5. እምነት ብመወዳእታ መዓልቲ፡ ዓለማዊ ህይወታዊ ሓደ መዓልቲ ከምዘብቅዕ፤\nብድሕሪ ሞት ህይወት ከምዘሎን ኩሉ ፍጡር በቲ ኣብ ዓለም ከሎ ዝፈጸሞ ተግባራት ፍትሓዊ ዓስቡ ከምዝኽፈልን ምእማን።\n\n6. እምነትብቅድመ-ድንጋገ፡ ኩሉ ኣብ ህይወት ከለና እንረኽቦ ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ካብ ኣላህ ምዃኑን ኣላህ ኣቐዲሙ ከምዝወሰኖ ወይ ጽሑፍ ምዃኑ ምእማን የድሊ።\n\nወሏሁ ኣዕለም!!! \n\nወሰላሙዓለይኩም ወራሕመቱላሂ ወበረካትሁ!!!","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2081"} {"headline":"ኣንበሳን ድብን","content":"ኣንበሳን ድብን\n\nኣንበሳን ድብን ሓረግ እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2082"} {"headline":"ኣቦን ወድን ኣድጎምን","content":"ኣቦን ወድን ኣድጎምን\n\nኣቦን ወድን ኣድጎምን ሓረግ እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2083"} {"headline":"ኣንበሳን ኣንጭዋን","content":"ኣንበሳን ኣንጭዋን\n\nኣንበሳን ኣንጭዋን ሓረግ እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2084"} {"headline":"ዘይሓስብ ነጋዳይ","content":"ዘይሓስብ ነጋዳይ\n\nዘይሓስብ ነጋዳይ ሓረግ እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2085"} {"headline":"ፈታው ወርቂ ንጉስ","content":"ፈታው ወርቂ ንጉስ\n\nፈታው ወርቂ ንጉስ ሓረግ እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2086"} {"headline":"ዳሞንን ፒቲያስን","content":"ዳሞንን ፒቲያስን\n\nዳሞንን ፒቲያስን ሓረግ እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2087"} {"headline":"ሃድን","content":"ሃድን\n\nሃድን ኣብ ግዜ ጸሓይ ዕራርቦ ኢዮም ዚሃድኑ። ኣብ እዋን ቀትሪ ግን ይድቅሱ። ኣናብስ ብለይቲ ናይ ምርኣይ ክእለት ኣሎዎም። ስለ'ዚ ከኣ ብጸልማት ኪሃድኑ ኣይጽገሙን። ተባዕታይ ኣንበሳ ባዕሉ ኣይሃድንን ኢዩ። ምስ ክብደቱ ኣነጻጺርካ ልቡ ንእሽቶ ኢያ። ስለ'ዚ ቍሩብ ምስ ጐየየ ቀልጢፉ ይደክም። እተን ዚሃድና ኣንስትዮ ኢየን። ነቲ ዝተሃድነ ብቐዳምነት ኪበልዖ ዚጅምር ግን እቲ ተባዕታይ ኢዩ። ንሱ፡ በሊዑ ምስ ጸገበ ነተን ኣንስትዮን ደቀነን ኪበልዑ ይፈቕደሎም።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2092"} {"headline":"ቋንቋ ሃገር","content":"ቋንቋ ሃገር\n\nቋንቋ ሃገር እዚ ኣምር’ዚ፡ ምስ’ቲ ብ1977 ኪትኣታተው ዝጀመረ ጽገና ቋንቋ-ሃገር ዝተባህለ ተተሓሒዙ ዝቘመ’ዩ። \"ትምህርቲ ቋንቋ-ሃገር\" ሕጂ \"ትምህርቲ ቋንቋ-ኣደ\" ተባሂሉ ይጽዋዕ ኣሎ። ሓደ ካብ ወለዲ ወይ መጕ ዚት፡ ቋንቋ-ኣደኦም ዘይሽወደን ምስ ዚኸውን፣ እሞ መዓልታዊ ምስ ውላ ዶም በቲ ቛንቋ’ቲ ዚዛረቡ ምስ ዚዀኑ፣ ቈልዑ ትምህርቲ ቋንቋ-ኣደ ኪወስዱ መሰል ኣሎዎም።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2093"} {"headline":"ቋንቋ ብዙሕ","content":"ቋንቋ ብዙሕ\n\nቋንቋ ብዙሕ እቲ ዝዓበየን ዓብላልን ቋንቋ ናይ’ታ ሃገር።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2094"} {"headline":"ቋንቋ ውሑድ","content":"ቋንቋ ውሑድ\n\nቋንቋ ውሑድ እቶም ብገለ ክፋላት ናይ’ቲ ህዝቢ ዚዝረቡ ቋንቋታት። \n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2095"} {"headline":"ቋንቋ ኣደ","content":"ቋንቋ ኣደ\n\nቋንቋ ኣደ ሰፊሕ ኣምር ኰይኑ፣ ኣውራ ግን እቲ\/ቶም ኣብ ቤት ዚጽ ናዕ\/ንዑ ቀዳማይ\/ሞት ቋንቋ\/ታት ማለት’ዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2096"} {"headline":"ኢትዮጵያ","content":"ኢትዮጵያ\n\nኢትዮጵያ፣ በይፋ የኢትዮጵያ ፌዴራላዊ ዴሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ፣ በአፍሪካ ቀንድ ውስጥ የምትገኝ ወደብ የሌላት ሀገር ናት። በሰሜን ከኤርትራ፣ በሰሜን ምስራቅ ጅቡቲ፣ በሶማሊያ በምስራቅና በሰሜን ምስራቅ፣ በደቡብ ከኬንያ፣ በምዕራብ ደቡብ ሱዳን፣ በሰሜን ምዕራብ ከሱዳን ጋር ትዋሰናለች። የኢትዮጵያ አጠቃላይ የቆዳ ስፋት 1,100,000 ስኩዌር ኪሎ ሜትር (420,000 ስኩዌር ማይል) ነው። እ.ኤ.አ. ከ2022 ጀምሮ ወደ 113.5 ሚሊዮን የሚጠጉ ነዋሪዎቿ መኖሪያ ናት፣ ይህም በአለም 13ኛዋ በህዝብ ብዛት የምትገኝ ሀገር፣ ከናይጄሪያ በመቀጠል በአፍሪካ 2ኛዋ በህዝብ ብዛት እና በምድር ላይ በጣም ህዝብ የሚኖርባት ወደብ የሌላት ሀገር ነች።[14][15] [16] የሀገሪቱ ዋና ከተማ እና ትልቁ ከተማ አዲስ አበባ ከምስራቅ አፍሪካ ስምጥ በስተ ምዕራብ ብዙ ኪሎ ሜትሮች ይርቃል አገሪቷን የአፍሪካ እና የሶማሊያ ቴክቶኒክ ፕላስቲኮችን ከፈለች።[17]\n\nአናቶሚ ዘመናዊ ሰዎች ከዛሬይቱ ኢትዮጵያ ወጥተው ወደ ቅርብ ምስራቅ እና ወደ ሌላ ቦታ በመካከለኛው ፓሊዮሊቲክ ዘመን ሄዱ። ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ የአፍሮሲያቲክ ቋንቋ ቤተሰብ እናት አገር እንድትሆን ሐሳብ ቀረበ።[23] በ980 ዓ.ዓ የዲምት መንግሥት በኤርትራና በሰሜናዊው የኢትዮጵያ ክልል ላይ ግዛቱን ዘረጋ፣ የአክሱም መንግሥት ግን በአካባቢው ለ900 ዓመታት አንድ ወጥ የሆነ ሥልጣኔን ይዞ ቆይቷል። ክርስትና በ330፣[24] በመንግስቱ ተቀብሎ እስልምና በ615 የመጀመሪያው ሂጅራ ደረሰ።[25] በ960 ከአክሱም ውድቀት በኋላ በኢትዮጵያ ምድር የተለያዩ መንግስታት፣ ባብዛኛው የጎሳ ኮንፌዴሬሽን ነበሩ። የዛግዌ ሥርወ መንግሥት በ1270 በየኩኖ አምላክ እስኪገረሰስ ድረስ የሰሜን መሀል ክፍልን አስተዳድሯል፣የኢትዮጵያን መንግሥት እና የሰለሞናዊ ሥርወ መንግሥትን መረቀ፣የመጽሐፍ ቅዱስ ሰሎሞን እና የንግሥተ ሳባ ዘር በልጃቸው በቀዳማዊ ምኒልክ ሥር እንደሆነ ተናግሯል።በ14ኛው መቶ ክፍለ ዘመን ግዛቱ በክብር መስፋፋት እና በአቅራቢያው ከሚገኙ ግዛቶች ጋር በመታገል በክብር አድጓል; በተለይም የኢትዮጵያ-አዳል ጦርነት (1529-1543) ንጉሠ ነገሥቱን ለመበታተን አስተዋፅዖ አድርጓል፣ በመጨረሻም በዘመነ መሳፍንት በ18ኛው ክፍለ ዘመን አጋማሽ ላይ በሚታወቀው ያልተማከለ አስተዳደር ሥር ወደቀ። ዳግማዊ አፄ ቴዎድሮስ ዘመነ መሳፍንት በ1855 ዓ.ም መጀመሪያ ላይ የኢትዮጵያን ውህደት እና ዘመናዊነት በማሳየት ዘመነ መሳፍንትን ጨረሱ።[26]\n\nከ1878 ዓ.ም ጀምሮ ዳግማዊ አፄ ምኒልክ ምኒልክን ማስፋፊያ በመባል የሚታወቁትን ተከታታይ ወረራዎች በመክፈት አሁን ያለችውን የኢትዮጵያ ድንበር ተፈጠረ። በዉጭ በ19ኛው መቶ ክፍለ ዘመን መገባደጃ ላይ ኢትዮጵያ ከግብፅ እና ከጣሊያን ወረራ ጨምሮ ራሷን ከውጪ ወረራ መከላከል ችላለች። በውጤቱም ኢትዮጵያ እና ላይቤሪያ በአፍሪካ ድርድር ወቅት ሉዓላዊነታቸውን አስጠብቀዋል። እ.ኤ.አ. በ1935 ኢትዮጵያ በፋሽስት ኢጣሊያ ተይዛ ከጣሊያን ይዞታ ከነበረው ኤርትራ እና ሶማሊላንድ ጋር በመቀላቀል የጣሊያን ምስራቅ አፍሪካን መሰረተች። እ.ኤ.አ. በ 1941 ፣ በሁለተኛው የዓለም ጦርነት ወቅት ፣ በብሪቲሽ ጦር ተያዘ ፣ እናም ሙሉ ሉዓላዊነቷ በ 1944 ከወታደራዊ አስተዳደር ጊዜ በኋላ ተመልሷል ። በሶቪየት የሚተዳደር ወታደራዊ መንግስት ደርግ በ1974 ዓ.ም አፄ ኃይለ ሥላሴን እና የሰለሞናዊውን ስርወ መንግስት ከስልጣን ካስወገደ በኋላ ሀገሪቱን በኢትዮጵያ የእርስ በርስ ጦርነት ውስጥ ለ17 አመታት ያህል አስተዳድሯል። በ1991 የደርግን መፍረስ ተከትሎ የኢትዮጵያ ህዝቦች አብዮታዊ ዴሞክራሲያዊ ግንባር (ኢህአዴግ) በአዲስ ህገ መንግስት እና ብሄርን መሰረት ባደረገ ፌደራሊዝም ሀገሪቱን ተቆጣጠረ። ከዚያን ጊዜ ጀምሮ ኢትዮጵያ በዴሞክራሲያዊ ኋላቀርነት ባስከተለው የጎሳ ግጭቶች እና የፖለቲካ አለመረጋጋት ለረዘመ እና መፍትሄ ባለማግኘቷ ተሠቃየች። እ.ኤ.አ. ከ2018 ጀምሮ ክልላዊ እና ብሄርን መሰረት ያደረጉ ቡድኖች በመላ ኢትዮጵያ እየተካሄዱ ባሉ በርካታ ጦርነቶች የታጠቁ ጥቃቶችን ፈጽመዋል።[27]\n\nኢትዮጵያ ከ80 በላይ የተለያዩ ብሄረሰቦች ያሏት የብዙ ብሄር ብሄረሰቦች ሀገር ነች። ክርስትና በሀገሪቱ ውስጥ በሰፊው የሚነገር እምነት ነው፣ ከእስልምና እምነት ተከታዮች መካከል አናሳ የሆኑ አናሳ እና ከባህላዊ እምነት ተከታዮች ጋር ትንሽ። ይህች ሉዓላዊ ሀገር የተባበሩት መንግስታት ድርጅት፣ ቡድን 24፣ ያልተዛመደ ንቅናቄ፣ ቡድን 77 እና የአፍሪካ አንድነት ድርጅት መስራች አባል ናት። አዲስ አበባ የአፍሪካ ኅብረት፣ የፓን አፍሪካ ንግድና ዘርፍ ማኅበራት ምክር ቤት፣ የተባበሩት መንግሥታት ድርጅት የአፍሪካ ኢኮኖሚክ ኮሚሽን፣ የአፍሪካ ተጠባባቂ ኃይል እና በአፍሪካ ላይ ያተኮሩ በርካታ ዓለም አቀፍ መንግስታዊ ያልሆኑ ድርጅቶች ዋና መሥሪያ ቤት ነች። ኢትዮጵያ በግብርና እና በማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪዎች መስፋፋት ላይ ቀጥተኛ ኢንቨስትመንት በመኖሩ ከሰሃራ በታች ባሉ የአፍሪካ ሀገራት ፈጣን የኢኮኖሚ እድገት እያስመዘገበች በማደግ ላይ ያለች ሀገር [28][29] እና በማደግ ላይ ያለች ሀገር ነች።[30] ነገር ግን በነፍስ ወከፍ ገቢ እና በሰብአዊ ልማት ኢንዴክስ [31] አገሪቱ በድህነት ከፍተኛ ደረጃ ላይ የምትገኝ፣ [32] ደካማ የሰብአዊ መብት መከበር እና የማንበብና የማንበብ ደረጃ 49% ብቻ ተብላለች።[33] ግብርና በኢትዮጵያ ትልቁ የኢኮኖሚ ዘርፍ ሲሆን እ.ኤ.አ. በ2020 ከአገሪቱ አጠቃላይ የሀገር ውስጥ ምርት 36 በመቶውን ይሸፍናል።[34][35]\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2121"} {"headline":"ዛምቢያ","content":"ዛምቢያ\n\nዛምቢያ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2123"} {"headline":"ታንዛኒያ","content":"ታንዛኒያ\n\nታንዛኒያ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2124"} {"headline":"ማላዊ","content":"ማላዊ\n\nማላዊ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2125"} {"headline":"ጂቡቲ","content":"ጂቡቲ\n\nጂቡቲ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2129"} {"headline":"ሱዳን","content":"ሱዳን\n\nሱዳን (ዓረበኛ: السودان), \"Sūdān\", ርፑብሊክ ሱዳን፣ ሓንቲ ሃገር ናይ ኣፍሪቃ እያ። ብግብጺ፣ ሊቢያ፣ ቻድ፣ ኢትዮጵያን ኤርትራን ድማ ተከቢባ ትርከብ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2132"} {"headline":"ሊብያ","content":"ሊብያ\n\nሊብያ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2133"} {"headline":"ቦትስዋና","content":"ቦትስዋና\n\nቦትስዋና\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2135"} {"headline":"ናሚቢያ","content":"ናሚቢያ\n\nናሚቢያ\n\nGeological expedition to Namibia in March 2012, more than 300 photographs. Climate, ice, water and landscapes. In search of traces of megatsunami.\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2136"} {"headline":"ቤኒን","content":"ቤኒን\n\nቤኒን (ፈረንሣይ: Bénin)\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2137"} {"headline":"ሞሮኮ","content":"ሞሮኮ\n\nሞሮኮ \n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2138"} {"headline":"ሞሪታኒያ","content":"ሞሪታኒያ\n\nሞሪታኒያ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2139"} {"headline":"ማዳጋስካር","content":"ማዳጋስካር\n\nማዳጋስካር\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2146"} {"headline":"ቱኒዝያ","content":"ቱኒዝያ\n\nቱኒዝያ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2147"} {"headline":"ኣንጎላ","content":"ኣንጎላ\n\nኣንጎላ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2148"} {"headline":"ኬንያ","content":"ኬንያ\n\nሃገረ ኬንያ\n\nኬንያ ሓንቲ ሪፓብሊካዊት ሃገር እያ፣ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ'ውን ትርከብ። ኬንያ ብሸነኽ ህንዳዊ ውቅያኖስ ኣብ ቅናት ምድሪ ትርከብ። ምስ ሓሙሽተ ሃገራት'ውን ትዳወብ፤ ብሰሜን ምስ ኢትዮጵያ፡ ብሰሜናዊ ምብራቕ ምስ ሶማልያ፡ ብደቡብ ምስ ታንዛንያ፡ ብምዕራብ ምስ ዩጋንዳ ከምኡ'ውን ምስ ቀላይ ቪኢክቶሪያ ትዳወብ። ርእሲ ክተማ ኬንያ: ናይሮቢ ትብሃል።\nኬንያ ሓንቲ ካብተን ብዝተፈላለዩ ዓይነት እንስሳታት በረኻን ንእኦም'ውን ዝተሓዝኤ ቦታታትን በረኻታትን ዝመልኣን ዝሃብተማን ሃገራት ኣፍሪቃ እያ።\n\n\"ብቀይሕ ሕብሪ ዘለዋ ካርታ ሃገረ ኬንያ'ያ።\nኬንያ ሓንቲ ካብ: ሀገራት ኣፍሪቃ እያ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2149"} {"headline":"ሩዋንዳ","content":"ሩዋንዳ\n\nሩዋንዳ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2150"} {"headline":"ቶጎ","content":"ቶጎ\n\nቶጎ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2151"} {"headline":"ሴኔጋል","content":"ሴኔጋል\n\nሴኔጋል\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2152"} {"headline":"ማሊ","content":"ማሊ\n\nማሊ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2153"} {"headline":"ጀርመን","content":"ጀርመን\n\nጀርመን (፣ )፣ ብወግዒ ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ጀርመን ( )፣ ኣብ ማእከላይ ሰሜናዊ ኤውሮጳ እትርከብ ብሰሜን ብወገን ምስ፣ ደንማርክ፣ ብወገን ምብራቕ ምስ ፖላንድ፣ ብምብራቕ ምስ ሪፓብሊክ ቸክ፣ ብደቡባዊ ምስ ኣውስትርያን ስዊዘርላንድ ብምዕራብ ምስ ፈረንሳን በልጅዩምን ሉክሰምበርግን፤ ከምኡውን ኔዘርላንድ እትዳውብ ሃገር እያ። ርእሰ ከተማኣ በርሊን እያ።\n\nSection::::ሕጊ.\nጀርመን ብኣዝዩ ጸቡቕ ኣካያይዳ ዘለዎ፣ ንናእሽቱ መንእሰያት ኣብ ስራሕ ትምህርቶም ከድህቡ ዝጸቅጥ ተረርቲ ሕግታት ኣለዋ።\nኣብ ጀርመን ሓደ ትሕቲ 18 ዓመት ከም መኪና፣ ኣሰንበድቲ ፊልምታት ወልፍታት ሽጋራ ናይ ሓንቲ ስድራ ምስካም`ውን ንትሕቲ ዕድመ ህጻናት ኣይፍቀድን እዩ.\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2154"} {"headline":"ISO 3166-1","content":"ISO 3166-1\n\nዝርዝር ሃገራት ISO 3166-1\n\n\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2493"} {"headline":"ኤውሮጳ","content":"ኤውሮጳ\n\nኤውሮጳ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ ክቢ መብዛሕትኡ ከኣ ኣብ ምብራቓዊ ንፍቀ ክቢ እትርከብ ክፍለ ዓለም እያ።\n\nኤውሮጳ ብስፍሓት ከባቢ ካልኣይቲ ዝነኣሰት ክፍለ ዓለም እያ።\n\nSection::::ዝርዝር ሃገራትን ግዝኣታትን.\nኤውሮጳ ብፖለቲካ ኣብ ሓምሳ ልኡላውያን ሃገራት፣ ሸሞንተ ሃገራት ውሱን ኣፍልጦ ዘለወን፣ ሽድሽተ ጽግዕተኛታት ግዝኣታት ከምኡውን ኣብ ሰለስተ ርእሰን ዝኸኣላ ዞባታት ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ተዋሃሂደን ትምቀል።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2494"} {"headline":"ዲሞክራሲ","content":"ዲሞክራሲ\n\nዲሞክራሲ (Democracy ካብ ግሪክ ዝተወስደ ቃል) ዲሞ ማለት ህዝቢ ክኸውን ከሎ ክራሲ ድማ መንግስቲ ማለት እዩ። ህዝቢ ዝሓረዮ ምምሕዳር\/ስልጣን መንግስቲ ዝምራሕ ሃገር ማለት ኢዩ ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2517"} {"headline":"ዊኪፐድያ","content":"ዊኪፐድያ\n\nዊኪፐድያ ናጻ፣ ሕብረ ልሳናውን ብሓባራዊ መንገዲ ዝተመዓራረየን ኢንሳይክሎፐድያ (መዘገበ ፍልጠት) እዩ። ኣብ መርበብ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ ንምፍጣር ፕሮጀክት እዩ። ኩሉ ሰብ ፍልጠቱ ኣብ ዝኾነ ኣርእስቲ ብኩሉ ሰብኣዊ ጥበብ ማዕከን ዳታ ንምፍጣር ከበርክት ይኽእል እዩ።\n\nብ15 ጥሪ 2001 ብጂሚ ዌልስን ላሪ ሳንገርን እዩ ተፈጢሩ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ኢንተርነት ዝዓበየን ህቡብን መወከሲ ስራሕ እዩ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2523"} {"headline":"ኮምፒዩተር ሳይንስ","content":"ኮምፒዩተር ሳይንስ\n\nቁልጡፍ ሰራዒ \/ Quicksort \n\nኣብ ስነ-ኮምፒተር እቲ ክዊክሶርት ኣገባብ ሓደ ካብቶም ዝቀልጠፉ ኣገባባት እዩ ሓደ ዓውዲ (Array) ንምስራዕ። እቲ ዓወይ ከኣ ካልእ ትሕዝቶ ክህልዎ ይኽእል።\n\nመፍትሒ ናይ ክዊክሶርት እቲ ክልሰ-ሓሳብ „መቀለ ድሓር ሰፈነ“ (= divide and conquer) እዩ። ቅድም ነቲ ዓቢ ሽግር ኣብ ንኣሽቱ ሽግራት ትመቅሎ፣ ድሓር ነቶም ንኣሽቱ ሽግራት ንምፍታሕ ይቀልል እዩ። ሽዑ ስጉም ብስጉም ነቲ ዓቢ ሽግር ትፈትሖ ማለት እዩ። ስለዚ ከኣ እዚ ኣገባብ „መቀለ ድሓር ሰፈነ“ ይበሃል፥\n\nሓደ ባእታ ካብቲ ዓውዲ ትወስድ (ኣየናይ ባእታ ከምትወስድ ኣገዳሲ ኣይኮነን) ነቲ ዓውዲ ምእንቲ ኣብ መኣከሉ ክትመቅሎ። ድሓር ነቶም ካልኦት ካብቲ ቀንዲ ባእታ ዝንእሱ ባእታታት ኣብ ጸጋም ትገብሮም፣ ነቶም ካልኦት ካብቲ ቀንዲ ባእታ ዝዓበዩ ባእታታት ኣብ የማን ትገብሮም። ድሓር ልክዕ ነዚ ዕማም ትደግሞ፣ ነቲ ሓድሽ ዝወጸ ክፋል ናይቲ ዓውዲ ትመቅሎ፣ ሽዑ ነቲ ሓድሽ ክፋል ትሰርዖ። ድሓር ሙሉእ ዓውዲ ምስ ሰርዓኻ፡ እቶም ባእታታት ኣብቲ ዓውዲ (ትሕዝቶ ዓውዲ) ኩሎም ተሰሪዖም ኣለው።\n\nእዚ’ቲ ቀንዲ ሽጣራ ናይቲ ክዊክሶርት ኣገባብ እዩ። ነቲ ክልሰ-ሓሳብ „መቀለ ድሓር ሰፈነ“ ኣብ ብዙሕ ዝተፋላለዩ ነገራት ኣብ ውሽጢ ሶፍትዌር ወይ ስነ-ኮምፒተር ይጥቀምሉ እዩ።\n\nኣብ ውሽጢ’ቲ ፕሮግራም ወይ ኮድ ሕሳባዊ ፍልጠት ከኣ ክህልወካ ኣለዎ። ስነ-ኮምፒተር ብዘይ ሕሳብ ሙት እዩ።\n\nመብርሂ ናይ ክዊክሶርት፥\n\nእቲ ዝስዕብ ኣገባብ (= function) ነቲ ቀንዲ ባእታ ይደሊ፣ \nነቲ ዓውዲ (files[ ]) ከኣ ይመቅሎ፥\n\nቀንዲ ባእታ = Pivot \n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2524"} {"headline":"ትምህርቲ","content":"ትምህርቲ\n\nመጀመርታ ነዚ ዘዳለወ ውልቀሰብ ወይ ጉጅለ ከመስጊን ደስ ይብለኒ ፣\nብምቅጻል ነዚ ተታሒዙ ዘሎ መደብ ብዝሓየለ መልክዑ ኪድፋኣሉ ይላቦ \nስለዚ ናይ ኮምፒተር ትምህርቲ በዚ ዌብ ሳይት ኪመሓላለፍ ተኽእሎ ተሎ ሕእደራ፣\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2641"} {"headline":"ሕክምና","content":"ሕክምና\n\nአዚ ኣብ መዳይ ሕክምና ሕፈሻዊ ሓበሬታ ንምሃብ ዝዓለመ እዩ። ዝርዝራዊ ትሕዝቶ ኣብ ዝመጽእ ተኽታተል።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2729"} {"headline":"ሃንስ ማርቲን ሱተርማይስተር","content":"ሃንስ ማርቲን ሱተርማይስተር\n\nሃንስ ማርቲን ሱተርማይስተር (1907 ኣብ ሽሎስሩወድ - 1977 ኣብ ባዝል) ናይ ስዊስ ሓኪምን ናይ ፓለቲካ ሰብን ኣንጻር ዘይፍትሓዊ መሰላት ተቓላሳይን ዝነበረን ::\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2755"} {"headline":"ኣውስትራሊያ","content":"ኣውስትራሊያ\n\nኣውስትራሊያ\n\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2758"} {"headline":"ናይ ኣውስትራሊያ ቀይሕ መስቀል","content":"ናይ ኣውስትራሊያ ቀይሕ መስቀል\n\nናይ ኣውስትራሊያ ቀይሕ መስቀል\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2759"} {"headline":"ቁጽሪ","content":"ቁጽሪ\n\nቁጽሪ እዩ ሕሳባዊ ነገር ኔሩ ናብ ፍቕዲ, መስፈር , ድማ ምልክት. nኣብነት, 1,2,3,4,5. \n\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2761"} {"headline":"ሓደ","content":"ሓደ\n\nሓደ ቁጽሪ ፩።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2763"} {"headline":"ክልተ","content":"ክልተ\n\nክልተ ቁጽሪ ፪።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2766"} {"headline":"ሰለስተ","content":"ሰለስተ\n\nሰለስተ ቁጽሪ ፫።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2769"} {"headline":"ኣርባዕተ","content":"ኣርባዕተ\n\nኣርባዕተ ቁጽሪ ፬።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2772"} {"headline":"ሓሙሽተ","content":"ሓሙሽተ\n\nሓሙሽተ ቁጽሪ ፭።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2775"} {"headline":"ሹዱሽተ","content":"ሹዱሽተ\n\nሹዱሽተ ቁጽሪ ፮።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2778"} {"headline":"ሸውዓተ","content":"ሸውዓተ\n\nሸውዓተ ቁጽሪ ፯።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2781"} {"headline":"ሾመንተ","content":"ሾመንተ\n\nሾመንተ ቁጽሪ ፰።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2784"} {"headline":"ትሽዓተ","content":"ትሽዓተ\n\nትሽዓተ ቁጽሪ ፱።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2787"} {"headline":"ዓሰርተ","content":"ዓሰርተ\n\nዓሰርተ ቁጽሪ ፲።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2791"} {"headline":"ዓሰርተ ሓደ","content":"ዓሰርተ ሓደ\n\nዓሰርተ ሓደ ቁጽሪ ፲፩።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2794"} {"headline":"ዓሰርተ ክልተ","content":"ዓሰርተ ክልተ\n\nዓሰርተ ክልተ ቁጽሪ ፲፪።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2797"} {"headline":"ዓሰርተ ሰለስተ","content":"ዓሰርተ ሰለስተ\n\nዓሰርተ ሰለስተ ቁጽሪ ፲፫።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2800"} {"headline":"ዓሰርተ ኣርባዕተ","content":"ዓሰርተ ኣርባዕተ\n\nዓሰርተ ኣርባዕተ ቁጽሪ ፲፬።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2803"} {"headline":"ዓሰርተ ሓሙሽተ","content":"ዓሰርተ ሓሙሽተ\n\nዓሰርተ ሓሙሽተ ቁጽሪ ፲፭።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2806"} {"headline":"ዓሰርተ ሸውዓተ","content":"ዓሰርተ ሸውዓተ\n\nዓሰርተ ሸውዓተ ቁጽሪ ፲፯።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2812"} {"headline":"ዓሰርተ ሾመንተ","content":"ዓሰርተ ሾመንተ\n\nዓሰርተ ሾመንተ ቁጽሪ ፲፰።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2815"} {"headline":"ዓሰርተ ትሽዓተ","content":"ዓሰርተ ትሽዓተ\n\nዓሰርተ ትሽዓተ ቁጽሪ ፲፱።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2818"} {"headline":"ዕስራን ሓሙሽተን","content":"ዕስራን ሓሙሽተን\n\nዕስራን ሓሙሽተን ቁጽሪ ፳፭።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2821"} {"headline":"ዕስራ","content":"ዕስራ\n\nዕስራ ቁጽሪ ፳።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2824"} {"headline":"ሰላሳ","content":"ሰላሳ\n\nሰላሳ ቁጽሪ ፴።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2827"} {"headline":"ኣርብዓ","content":"ኣርብዓ\n\nኣርብዓ ቁጽሪ ፵።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2830"} {"headline":"ሓምሳ","content":"ሓምሳ\n\nሓምሳ ቁጽሪ ፷።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2833"} {"headline":"ስሳ","content":"ስሳ\n\nስሳ ቁጽሪ ፷።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2836"} {"headline":"ሰብዓ","content":"ሰብዓ\n\nሰብዓ ቁጽሪ ፸።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2839"} {"headline":"ሰማንያ","content":"ሰማንያ\n\nሰማንያ ቁጽሪ ፹።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2842"} {"headline":"ቴስዓ","content":"ቴስዓ\n\nቴስዓ ቁጽሪ ፺።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2845"} {"headline":"ሚእቲ","content":"ሚእቲ\n\nሚእቲ ቁጽሪ ፻።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2848"} {"headline":"ሓሙሽተ ሚእቲ","content":"ሓሙሽተ ሚእቲ\n\nሓሙሽተ ሚእቲ ቁጽሪ ፭፻።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2851"} {"headline":"ሓደ ሺሕ","content":"ሓደ ሺሕ\n\nሓደ ሺሕ ቁጽሪ ፲፻።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2854"} {"headline":"ሓሙሽተ ሺሕ","content":"ሓሙሽተ ሺሕ\n\nሓሙሽተ ሺሕ ቁጽሪ ፶፻።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2857"} {"headline":"ሓደ ሚሊዮን","content":"ሓደ ሚሊዮን\n\nሓደ ሚሊዮን ቁጽሪ 1000000።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2858"} {"headline":"እንስሳ","content":"እንስሳ\n\nእንስሳ \n\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2868"} {"headline":"ፖሊስ","content":"ፖሊስ\n\nፖሊስ፣ ሕዝባዊ ጸጥታ ንምውሓስ ሓላፍነት ዘለዎ ሲቪላዊ ሓይሊ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2928"} {"headline":"ሰንበት","content":"ሰንበት\n\nሰንበት፣ እታ ሻብዓይቲ ምዓልቲ ናይ ሰሙን።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2929"} {"headline":"መርዓት","content":"መርዓት\n\nመርዓት፣ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ጊዜ መርዓኣ እትጽውዓሉ ስም።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2930"} {"headline":"ልቢ","content":"ልቢ\n\nልቢ፣ ብጭዋዳታት ዝቖመ ደም ናብ ሙሉ ሰውነት ዝጭንጕዕ ኣካል።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2931"} {"headline":"መለንዛና","content":"መለንዛና\n\nመለንዛና፣ ትሮፒካዊ ተኽሊ ከም ሓምሊ ንመግቢ ዝውዕል።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2932"} {"headline":"ፐዮኒ","content":"ፐዮኒ\n\nፐዮኒ፣ ካብ ጃንዳ ፓዮኒያ ዝኾነ ቀይሕ ዝዕንባብኡ ተኽሊ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2933"} {"headline":"ኣጻብዕ","content":"ኣጻብዕ\n\nኣጻብዕቲ፣ ናይ ደቂ ሰባትን ካልኦት እንስሳታትን ናይ ኢድን እግርን ዞባ ርሑቕ ክፋላት እዮም። ቅርጺ፣ ዓቐን፣ እልመትን ሙቐትን ሓደ ነገር ከድንቑ ዝኽእሉ ዓሰርተ ጫፋት ኣካላት እውን እዮም።\n\nወዲ ሰብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኢዱ ሓሙሽተ ኣጻብዕቲ ዘለዎ ኮይኑ ዓባይ ዓባይቶ፣ ኣመልካቲቶ፣ ማእከለይቶ፣ ቀለቤቶን ሕንጥሊቶን ይበሃሉ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2934"} {"headline":"ኣቮካዶ","content":"ኣቮካዶ\n\nኣቮካዶ፣ ትሮዊካዊ ገረብ ጃንዳ ናይ ትሮፒካ ኣመሪካና።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2935"} {"headline":"ኪዊ","content":"ኪዊ\n\nኪዊ፣ ናይ ኣክቲኒዲያ ቺነንሲስ ጃንዳ ዝኾነ ዓይነት ፍረ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2936"} {"headline":"ዓሳ ለግለግ","content":"ዓሳ ለግለግ\n\nዓሳ ለግለግ፣ ኣብ ባህሪ ዚነብር ሂወት ዘለዎ ክኒዳሪኣን።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2937"} {"headline":"ኣልማናክ","content":"ኣልማናክ\n\nኣልማናክ፣ ሓፈሻዊ ጸብጻብን ሓበሬታን ዝሓዘ ከም ዓውደ-ኣዋርሕን ምዓልታዊ መዝገብ ብኣታታትን ዘገልግል ኣብ ሓደ ዓመት ናይ ዝርከባ ነፍሲ ወከፍ ምዓልታት ጸብጻብ ዝሓዘ መጽሓፍ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2938"} {"headline":"እቶን","content":"እቶን\n\nእቶን፣ መውዓዩ ወይ መሞቒ ዘገልግል መሳርሒ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2939"} {"headline":"መሸኒ","content":"መሸኒ\n\nመሸኒ፣ ናይ ወዲ ተባዕታይ ናይ ገብረ-ስጋ መሳርዕ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2940"} {"headline":"ጉሕጓሕ","content":"ጉሕጓሕ\n\nጉሕጓሕ፣ ኣብ መንጎ ማህጸንን ብልዕትን ዝርከብ ክፍሊ መሳርዕ መፍረ ጓል ኣንስተይቲ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2942"} {"headline":"ሓሽራ","content":"ሓሽራ\n\nሓሽራ፣ ኣብ ክፍሊ ኢንሰክታ ንኣሽቶ እንስሳ።\n\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2944"} {"headline":"ሻምብቖ እንቛቕሖ","content":"ሻምብቖ እንቛቕሖ\n\nሻምብቖ እንቛቕሖ፣ እንቛቑሖ ካብ ማሕደረ-እንቛቑሖ ናብ ማሕጸን ዝመሓላለፈሉ ኣካል።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2945"} {"headline":"ጽሟቕ","content":"ጽሟቕ\n\nጽሟቕ፣ ካብ ፍረታትን ኣሕምልትን ተጸሚቑ ዝወጽእ ፈሳሲ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2947"} {"headline":"ሚተ","content":"ሚተ\n\nሚተ፣ ኣብ ተርታ ኣካሪና ዚምደብ ንእሽቶ ባልዕ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2948"} {"headline":"ካሮቲ","content":"ካሮቲ\n\nካሮቲ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2949"} {"headline":"ኣውቶቡስ","content":"ኣውቶቡስ\n\nኣውቶቡስ ብዙሕ ተጓዓዝቲ ንምሓዝ ዝተነድፈ ናይ መንገዲ መተሓላለፊ መበጻጽሒ እዩ ዝተነድፈ ብዙሕ ተጓዓዝቲ ንምሓዝ.\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2950"} {"headline":"ባምቡላ","content":"ባምቡላ\n\nባምቡላ፣ ብምስሊ ሰብ ዝስራሕ መጻወቲ ኣቕሓ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2951"} {"headline":"ናይ ልደት ጽሕዲ","content":"ናይ ልደት ጽሕዲ\n\nናይ ልደት ጽሕዲ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2954"} {"headline":"ቱሊፕ","content":"ቱሊፕ\n\nቱሊፕ፣ ምስ ጃንዳ ቱሊፕ ዚምደብ ሽጉርቲ ዝመስል ሱር ዘለዎ ዓንባቢ ተኽሊ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2956"} {"headline":"ስታርሊንግ","content":"ስታርሊንግ\n\nስታርሊንግ፣ ስታርኑስ ቩጋሪስ ዝበሃል ንእሽቶ ጭሩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2959"} {"headline":"ዶክተር","content":"ዶክተር\n\nዶክተር፣ ሓኪም\n\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2960"} {"headline":"ሕሙም","content":"ሕሙም\n\nሕሙም\n\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2961"} {"headline":"ቲቪ","content":"ቲቪ\n\nቲቪ፣ ተለቪዥን፣ ናይ ቲቪ ኣቑሑት ብሓባር፣ ከም ሪሞት ኮንትሮል፣ ረሲቨር ዝበሉ ነገራት።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=2962"} {"headline":"ባድመ","content":"ባድመ\n\nባድመ ኣብ ሃገረ ኤርትራ፣ ዞባ ጋሽ-ባርካ እትርከብ ከተማ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=3004"} {"headline":"መጽሓፍ ቅዱስ","content":"መጽሓፍ ቅዱስ\n\nመጽሓፍ ቅዱስ ብእኩባት ቀንዲ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ናይ እምነት ኣይሁዳውያንን ክርስትናን ዝቖመ እዩ። ኣብ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ እታ ቀዳመይቲ ዝበዝሐት ዝተሸጠት መጽሓፍ እያ።\n\nትሕዝቶን መስርዕን መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝተፈላለየ ስለ ዝኾነ፥ ሓንቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ የላን። ታናኽ (እብራይስጢ፡ תַּנַ\"ךְ, አደማምጻ ወይ ; ካልእ አጸሓሕፋ \"\"ታናክ\"\")፥ መጽሓፍ ቅዱስ ናይቶም ቀንዲ ኣይሁዳውያን ኣብ 24 መጽሓፍቲ ይምቀል። ሳምራውያን ዝበሃሉ ውሑዳት ክፋል ኣይሁድ ግና 5 መጽሓፍቲ ጥራይ ኣለዎም። እተን 24 ጽሑፋት ኣይሁዳውያን ኣብ 39 መጽሓፍቲ ተመቒለን ንናይ ክርስትያን ብሉይ ኪዳን የቑማ። ቁጽሪ ምሉእ ጽሕፋት ናይ ክርስትና መጽሓፍ ቅዱስ፥ ካብ 66 መጽሓፍቲ ናይ ወንጌላውያን፥ ክሳዕ 81 መጽሓፍቲ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ይፈላለ።\n\nSection::::መጽሓፍ ቅዱስ ኣይሁድ.\nመጽሓፍ ኣይሁድ ታናኽ፥ ኣብዘን ዝስዕባ ሰለስተ ክፋላት ይምቀል። (1) ቶራ (እብራይስጢ፡ תּוֹרָה፡ \"\"ሕጊ\"\") ሓሙሽተ መጽሓፍቲ ሕጊ ኮይኑ፥ መጀመርታ ታሪኽ እስራኤላውያንን ሕጎምን፥ ኪዳን ምስ ኣምላኽ እስራኤልን ይሕዝ። (2) ነቪይም (እብራይስጢ፡ נְבִיאִים፡ \"\"ነብያት\"\") ናይ ጥንቲ ታሪኽ እስራኤልን ይሁዳን ስራሕ ነብያትን ይሕዝ። (3) ከቱቪም (እብራይስጢ፡ כְּתוּבִים፡ \"\"ጽሑፋት\"\") ግጥምታትን ናይ ፍልጠት ጽሑፋትን፥ ከም በዓል መዝሙር ዳዊትን እዮብን ይሕዝ።\nSection::::መጽሓፍ ቅዱስ ክርስትና.\nናይ ሃይማኖት ክርስትና መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ክልተ ይምቀል። ቀዳማይ ብሉይ ኪዳን ኮይኑ 39 መጽሓፍቲ ናይ እብራይስጢ ጽሑፋት ይሕዝ፡ ካልኣይ ከኣ ሓድሽ ኪዳን ኮይኑ 27 መጽሓፍቲ ድማ ኣለዎ። ወንጌላት፥ እተን ቀዳሞት ኣርባዕተ መጽሓፍቲ ሓድሽ ኪዳን፥ ብዛዕባ ህይወት ክርስቶስ የዘንትዋ። ንሰን መሰረት እምነት ክርስትና እየን።\n\nወላ'ኳ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ኣይሁድ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክርስትና 'ተሃለዋ፥ መስርዐን ዝተፈልየ አዩ። እቲ ናይ ኣይሁድ ጽሑፍ ብምምላስ ህዝቢ እስራኤል ናብ የሩሳሌምን ናብ ቤት መቕደስን ይውዳእ፥ መወዳእታ መጽሓፍ ብሉይ ኪዳን ክርስትና ግና ትንቢት ሚልክያስ እያ።\n\nSection::::ታሪኻዊ ጽሑፍ.\nካብቲ ኣብ ቀደም ዝተጻሕፈ እሞ ክሳዕ ሕጂ ጸኒሑ ዝተረኽበ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ክርስትና፥ ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ብቛንቃ ግሪኽ ዝተጻሕፈ እዩ። ክሳዕ ሕጂ ዝጸንሐ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይሁድ ከኣ ብቛንቃ ግሪኽ ዝተቶርጎመ ካብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ኣትሒዙ ዝጸንሐ እዩ። ዝነውሐ ዝጸንሐ ምሉእ ጽሑፍ: ክፋል ናይቲ ቀንዲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይሁድ ተባሂሉ ዝሕሰብ፥ ማለት ልክዕ ናይ መጀመርታ ቃላት ዝሓዘ፥ ክሳዕ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ይግምገም።\n\nSection::::ምምስራት ቀኖና ክርስትና.\nድሕሪ ምምስራት ሃይማኖት ክርስትና ብቀዳማይ ክፍለ ዘመን፥ ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ ክፍለ ዘመናት፥ ሽማግለታት ኣብያተ ክርስትያናት ናይ ወንጌል ጽሑፋትን መልእኽትታት ሃዋርያትን ኣኪቦም ነዚ ሕጂ ሓድሽ ኪዳን ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክርስትና ኣቖሙ። ብኸምዚ ዝተገልጸ መሰረት ብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን ብሓደ ሓቢሩ መጽሓፍ ቅዱስ ይበሃል። ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ክርስትያናዊ ሃይማኖታት ኣይኖት ጽሑፋት ከም ቀንዲ ቅዱሳት ጽሑፋት ተቐጺረን ኣብ ብሉይ ኪዳን ክጽምበራ ከም ዘለወን ክርክር ኣሎ። ወንገላውያን ነቲ ናይ እብራይስጢ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ከም ቀንዲ (ቀኖና) ይቕበልዎ። ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንን ግና መጽሓፍቲ ካልኣይ-ቀኖና ብሉይ ኪዳን ከምኡ'ውን እኩባት መጽሓፍቲ ኣይሁድን ከም ቀንዲ ጽሑፋት ይቕበልወን። \nንሓድሽ ኪዳን ዘቑማ መጽሓፍቲ እዘን ዝስዕባ እየን፤ ኣርባዕተ ወንጌላት፡ ግብሪ ሃዋርያት፡ መልእኽትታት ከምኡ'ውን ትንቢት የውሃንስ እየን።\n\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=3067"} {"headline":"ቮልፍጋንግ አማዴኡስ ሞፃርት","content":"ቮልፍጋንግ አማዴኡስ ሞፃርት\n\nቮልፍጋንግ አማዴኡስ ሞፃርት (ጥር 13 ቀን 1748 ዓ.ም. - ኅዳር 27 ቀን 1784 ዓ.ም.) ኦስትሪያዊ አቀነባባሪ ነበሩ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=3151"} {"headline":"ስፖርት","content":"ስፖርት\n\nስፖርትቅድድም ብሽግሌታ\nዓይነታት ስፖርት\n\nSection::::ኣትለቲክስ.\nSection::::ጉያ ማራቶን.\nአለካ ዶ\nዘርሰናይ ታደሰ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=3165"} {"headline":"ሕርሻ","content":"ሕርሻ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=3166"} {"headline":"ሩስያ","content":"ሩስያ\n\nሩስያ (ብሩስኛ፦ \"Россия\") ወይ ብወግዒ ፈደረሽን ሩስያ (ብሩስኛ፦ \"Российская Федерация\")፣ ንሰሜናዊ ኤውሮጳን ኤስያን ዘጠቓለለ ኣብ ዓለም ዝሰፍሐት ሃገር እያ። ርእሰ ከተማኣ ሞስኮ እያ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=3208"} {"headline":"ቀይሕ ኣደባባይ","content":"ቀይሕ ኣደባባይ\n\nቀይሕ ኣደባባይ (\"Красная площадь\"), ሞስኩ, ራሻ.\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=3211"} {"headline":"ሊለ ዶወንሡ","content":"ሊለ ዶወንሡ\n\nሊለ ዶወንሡ (እስፓንኛ፦ Lila Downs) በ 9 መስከረም 1968 እን ኦአሻቻ, መሺቾ ሜክሲኮ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=3212"} {"headline":"ስነ ጥበብ","content":"ስነ ጥበብ\n\nሻክስፐር\n\nSection::::መእተዊ.\nስነ-ጥበብ ማለት፥ ከም ስራሕ ወይ ፍጥረት ብሰባት ምስ ኣገዳስነት ስለ ስሕበት ንስምዒት ሰብ ማለት ኢዩ። ሓደ ሰብ እንተገለጸ ባዕሉ ኣሎ፣ ስነ-ጥበብ ይግብር ኣሎ። ብዛዕባ ትርጉም ስነ ጥበብ ስምምዕ ይለን፡ስእሊን፣ ምስኣልን፣ ጸወታን፣ ሳዕስዐን፣ ደረፈን፣ ግጥሚን፣ ጽሑፍን፣ ተዋስኦን፣ ስነ-ጥበብ ዘጠቓለለ'ዩ።\n\nSection::::ታሪኽ ስነ-ጥበብ.\nዑቑባጋብር\n\nተኽለ ክፍለማርያም (ወዲ ትኹል ) \n\nSection::::ውራይ ስነ-ጥበብ.\nኣብ ብዙሕ ሕብረተሰብ፣ ሰባት ኣሎ መን ይሓሰብ እቲ ስራሕ ስነ-ጥበብ ተዘተኣሳሰረ ነቲ ስነ-ጥበብ መን'ዩ መስርሑ ዘዳልዎ?።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=3243"} {"headline":"ቋንቋ እብራይስጢ","content":"ቋንቋ እብራይስጢ\n\nእብራይስጢ (፣ )፣ ሓደ ካብ ሴማዊ ቋንቋታት ኮይኑ ካብ ዓለም አቲ ዝነውሐ ዕድመ ዘሎዎ ክሳብ ሕጂ ዝዝረብ ዘሎ ቋንቋ እዩ። ሞይቱ ዝተንሰአ ቋንቋ ተባሂሉ ውን ይጥቀስ። አዚ 24 ፊደላት ዘለዉዎ ቋንቋ አዚ አቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንመጀመርያ ግዜ ዝተጻሕፈሉ ቋንቋ አዩ። ቋንቋ እብራይስጢ ዝበዝሕ ቃላቱ ከም መብዛሕቶኦም ሴማዊ ቋንቋታት ብ ሰለስት ፊደላት ዝተሰረተ እዩ ። ምስ ግዕዝ፣ ትግርኛ፣ ትግረ(ትግራይት)፣ ኣምሓርኛ፣ ኣራማይስጢ፣ ዓረብን ዝኣመሰኡ ሴማውያን ቛንቋታት ድማ ደሓን ዝኾነ ተመሳሳልነት ኣለዎ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=3366"} {"headline":"ማሪኡፖል","content":"ማሪኡፖል\n\nማሪኢፖል (እንግሊዛዊ - Mariupol, ዩክረይን - Маріуполь) – ረጉድ ዩክረይን ከተማ (ኣውሮጳ)\n\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=3597"} {"headline":"ቺሌ","content":"ቺሌ\n\nቺሌ (ብስጳንኛ፦ \"Chile\")፣ ብወግዒ ሪፓብሊክ ቺሌ (ብስጳንኛ፦ \"República de Chile\")፣ ኣብ ደቡብ ምዕራብ ናይ ደቡባዊ ኣመሪካ እትርከብ ሃገር እያ። ርእሰ ከተማኣ ሳንትያጎ እያ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=3672"} {"headline":"ሱርያ","content":"ሱርያ\n\nሱርያ (ዓረብኛ: سوريا)\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=3698"} {"headline":"ሱሪናም","content":"ሱሪናም\n\nሱሪናም.\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=3699"} {"headline":"ቬኔዝዌላ","content":"ቬኔዝዌላ\n\nቬኔዝዌላ ()፣ ብወግዒ ቦሊቫርያዊት ሪፓብሊክ ቬኔዝዌላ ()፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ደቡብ ኣመሪካ እትርከብ ልኡላዊት ሃገር እያ። ርእሰ ከተማኣ ካራካስ እያ።\n\n916,445 ትርብዒት ኪ.ሜ ስፍሓት መሬት ኣለዋ።\n\nእቲ ሕጂ ቬኔዝዌላ ተባሂሉ ዝፍለጥ ግዝኣት ኣብ መንጎ ተቓውሞ ኣመሪንዳውያን ህዝብታት ብስጳኛ ብ1522 እያ ተገዚኣ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=3701"} {"headline":"ደቡብ ኣፍሪቃ","content":"ደቡብ ኣፍሪቃ\n\nደቡብ ኣፍሪቃ (እንግሊዝኛ: South Africa)\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=3702"} {"headline":"ኣፍሪካን ትራይፓኖሶሚያሲስ","content":"ኣፍሪካን ትራይፓኖሶሚያሲስ\n\nኣፍሪካን ትራይፓኖሶሚያሲስ ወይ ኣደቃሲ ሕማም፡ ንሰባትን ካልኦት እንስሳታትን ዜጥቅዕ ሕማም ፓራሳይት\/ጽግዕተኛ እዩ። \"ትራይፓኖሶማ ብሩሰይ\"ብዚብሃል ጽግዕተኛ ጅር\/ስፒሽስ ዚስዕብ እዩ። ሰባት ዘጥቅዑ፡ ክልተ ዓይነታት ኣለዉ፥ \"ትራይፓኖሶማ ብሩሰይ ጋምቤንስ\" (T.b.g) ከምኡውን \"ትራይፓኖሶማ ብሩሰይ ሆደሴንስ\" (T.b.r.) እዮም።  T.b.g፡ ንልዕሊ 98% ናይቲ ዝርኤ ሕማማት ዜስዕብ እዩ። ክልቲኦም ፓራሳይታት፡ መብዛሕቱ ግዜ፡ ብመንከስቲ እተለኽፈት ጽንጽያ ጸጸ ዝምሓላለፉ ኮይኖም፡ ኣብ ገጠራት ድማ ኣዝዮም ግኑናት እዮም።  \n\nኣብቲ መባእታዊ ደረጃ’ቲ ሕማም፡ ረስኒ፡ ሕማም ርእሲ፡ ሰሓን ቃንዛ መላግቦን የጋጥም።  እዚ ድማ ድሕሪ መንከስቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ክሳዕ ሰለስተ ሳምንታት ክርኤ ይጅምር። ድሕሪ ሳምንታት ክሳዕ ኣዋርሕ ድማ ዕግርግር፡ ዘይምርጋእ\/ዘይምውህሃድ፡ ድንዛዘን ድቃስ ምስኣንን ዚኣመሰለ ዜጋጥም ካልኣይ ደረጃ ይጅምር። ነጸርታ፥ ኣብ ቅምሶ ደምወይ ኣብ ሱር ዕያገነዳ (ሊይምፍ ኖድ) ኣብ ዝርከብ ፈሳሲ ንዘሎ ፓራሳይት ብምርካብ ይካየድ። መርፍእ ሽምጢ (ፈሳሲ ካብ ሽምጢ ብምውሳድ ዚግበር መርመራ)፡ ኣብ መንጐ’ቲ ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃ ሕማም ዘሎ ፍልልይ ንምርእይ መብዛሕቱ ግዜ ኪግበር የድሊ እዩ።\n\nምክልኻል ብርቱዕ ሕማም፡ T.b.g እንተሎ ንምፍላጥ መርመራታት ደም ብምግባር፡ ነቶም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ክፍልታት ህዝቢ ዚግበር ነጸርታ ዜጠቓልል እዩ። እቲ ሕማም ኣብ ዝጀመረሉ ፈለማ እዋንን ምልክታት ጸገማት መትኒ ከርኢ ቅድሚ ምጅማሩን ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ነቲ ሕማም ንምሕካም ዚቐለለ ይኸውን። ኣብ መባእታ ደረጃ ንዚርከብ ሕማም ዚግበር ሕክምና፡ ብመድሃኒትፐንታሚዲን ወይ ሱራሚንይኸውን። ኣብ ካልኣይ ደረጃ ንዚርከብ ሕማም ዚግበር ሕክምና፡ ንT.b.g ተባሂሉ ዚውሰድ ንኢፍሎርኒቲን ወይ ንኒፉርቲሞክስ ከምኡውን አፍሎርኒቲን ዜጣመረ መድሃኒት ዜጠቓልል እዩ። መላርሶፕሮል ንኽልቲኡ ዚሰርሕ እኳ እንተኾነ፡ ከቢድ ጐድናዊ ሳዕቤናት ስለዘለዎ፡ ንT.b.r.ጥራይ ብፍላይ ዜገልግል እዩ።\n\nእዚ ሕማም’ዚ፡ ኣብ 36 ሃገራት ዚርከቡ ከባቢ 70 ሚልዮን ንዚኾኑ ኣብ ሓደጋ ዚርከቡ ክፍልታት ህዝቢ ኣብ ዘለውዎ ገለ ከባቢታት ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃብቐጻሊ ዜጋጥም እዩ። ኣብ 2010፡ ንኣስታት 9,000 ሰባት ሞት ከስዕብ ከሎ፡ ካብቲ ኣብ 1990 ዝነበረ 34,000 መጠነ-ሞት ግን ጐዲሉ እዩ። ከባቢ 30,000 ዚኸውን ህዝቢ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ተለኺፉ ይርከብ፣ ኣብ 2012 ድማ ካብቲ ዝነበረ መልከፊታት፡ ኣብ ልዕሊ ሓደስቲ 7000 ኣጋጢሙ። ካብዚ ዘጋጥመ ሕማማት፡ እቲ ልዕሊ 80%፡ ኣብ ደሞክራስያዊ ሪፓፕሊክ ኮንጐዜጋጠመ እዩ።  ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን፡ ሰለስተ ዓቢ ለበዳታት ኣጋጢሙ፣ እቲ ቀዳማይ ካብ 1896 ክሳዕ 1906 ኣብ ዘሎ ግዜ ብቐንዱ ኣብ ዩጋንዳ  ከምኡውን ኣብ ተፋሰስ ኮንጐ ዜጋጠመ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ክልተ ድማ ኣብ 1920ን 1970ን ኣብ ሓያለ ሃገራት ኣፍሪቃ ዜጋጠመ እዩ። ከም ላም ዝኣመሰሉ ካልኦት እንሳታት፡ ነቲ ሕማም ክስከሙን በቲ ሕማም ክልከፉን ይኽእሉ እዮም። \n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=3769"} {"headline":"ትራያኑስ","content":"ትራያኑስ\n\nትራያኑስ ላቲን፦ Imperator Caesar Nerva Traianus Divi Nervae filius Augustus) (ካብ53 ዓ.ም. ክሳዕ117 ዓ.ም.) ካብ98 ዓ.ም. ክሳዕ 117 ዓ.ም. ንጉስ ግዝኣት ሮማ ዝነበረ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=3824"} {"headline":"ሕማም ቫይረስ ኢቦላ","content":"ሕማም ቫይረስ ኢቦላ\n\nሕማም ቫይረስ ኢቦላ (EVD) ወይ ምድማይን ረስንንg ዜስዕብ ኢቦላ (EHF፡ ብቫይረስ ኢቦላ ዚስዕብ ሕማም ደቂ ሰባት እዩ። ምልካፍ’ቲ ቫይረስ’ቲ ካብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ ካብ ክልተ መዓልታት ክሳዕ ሰለስተ ሳምንታት ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ረስኒ፣ ቊስሊ ጐሮሮ፣ቃንዛ ጭዋዳ ከምኡውን ሕማም ርእሲ ዝኣመሰሉ ምልክታት የርኢ። ብፍላይ ድማ ዕግርግር-ምባል፣ ተምላስ ከምኡውን ውጽኣት ቀጺሉ የጋጥም፣ ስራሕ ጸላም ከብዲ ከምኡውን ኲሊትከምዚጐድል ድማ ይገብር። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ገለ ሰባት፡ ጸገማት ምድማይ ከጋጥሞም ይጅምር እዩ።\nእዚ ቫይረስ፡ ንደም ወይ ፈሳሲ ኣካልናይ ዝተለኽፈ እንስሳ (መብዛሕቱ ግዜ ኣህባይ ወይ መንካዕ ፍረታትብምትንካፍ ኪመጽእ ይኽእል። ኣብ ንቡር ከባቢ፡ ብመገዲ ኣየር ከምዚመሓላለፍ ዝተሰነደ ነገር የለን።. መንካዕ ፍረታት፡ ንሰን ከይተለኽፋ ንቫይረስ ብምጻር ከመሓላልፋ ከምዝኽእላ ይእመን። እቲ ሕማም ድማ ኣብ ሰብ መልከፍቲ ምስኣጋጠመ ኣብ መንጐ ሰባት ኪመሓላለፍ ይኽእል። እቶም ካብቲ ሕማም ዝደሓኑ ደቀ-ተባዕትዮ፡ ንኸባቢ ክልተ ኣዋርሕ ዚኸውን ብመገዲ ዘርኢ ተባዕታይ ኣቢሎም ነቲ ሕማም ከመሓላልፉ ይኽእሉ እዮም። ነጸርታ ሕማም ንምክያድ፡ ፈለማ ከም ዓሶ፡ ሸሮኽ ከምኡውን ካልእ ምድማይን ረስንን ዜስዕብ ቫይረስንዝኣመሰለ ተመሳሳሊ ምልክታት ናይ ካልእ ሕማማት ተለሊዩ ከምዚእለ ይግበር። ነቲ ነጸርታ ንምርግጋጽ ድማ ቅምሶታት ደም ብምውሳድ፡ ጸረ-ነፍሳት’ቲ ቫይረስ፡ RNA’ቲ ቫይረስ ወይ ባዕሉ’ቲ ቫይረስ እንተልዩ መርመራ ይግበረሉ።\nምክልኻል፡ ካብ ዝተለኽፉ ኣህባይን ሓሰማታትን ናብ ሰባት ንዝህሉ ምልባዕ’ቲ ሕማም ከምዚጐድል ምግባር ዜጠቓልል እዩ። እዚ ድማ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ እንሳታት መልከፍቲ ንኸይስዕቡ ብምክትታል ከምኡውን እቲ ሕማም ኣብ ዝተረኽበሉ እዋን ንዕኦም ብምቕታል ነቲ ረሳታቶም ብግቡእ ብምእላይን ኪግበር ይከኣል። ንስጋ ብግቡእ ከምዚበስል ምግባርን ስጋ ኣብ ዝትሓዘሉ እዋን በጃ ኽዳን ምውዳይን፡ , ከምኡውን ኣብ ከባቢ’ቲ ዝሓመመ ሰብ ኣብ እትኾነሉ እዋን በጃ ኽዳን ምውዳይን ኣእዳው ምሕጻብን ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ቅምሶታት ናይቲ በቲ ሕማም ካብ ዝሓመሙ ሰባት ዝወጽእ ፈሳሲ ኣካልን ትሹታትን፡ ብፍሉይ ጥንቃቐ ክትሓዝ ይግባእ።\nፍሉይ ሕክምና ናይቲ ሕማም እኳ እንተዘየለ፡ ነቶም ዝተለኽፉ ሰባት ንምሕጋዝ ዚግበር ጻዕርታት፡ ንፍወሳ ኦኣርኤስ (oral rehydration therapy)(ብውሑድ ሽኮርን ጨውን ዝተዳለወ ማይ ከምዝሰትዩ ምግባር) ወይ ብመትኒ ዚውሃብ ፈሳሲየጠቓልል። እዚ ሕማም’ዚ፡ ልዑል መጠነ ሞትኣለዎ፥ ካብቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ድማ ካብ 50% ክሳዕ 90% ይሞቱ።<\/ref> ሕማም ኢቦላ ቫይረስ፡ ፈለማ ኣብ ሱዳን ከምኡውን ደሞክራስያዊ ረፑብሊክ ኮንኮ ተራእዩ። እዚ ሕማም’ዚ፡ ኣብ ትሮፒካዊ ከባቢታት ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ ኣብ ዝህሉ ለበዳታት ከም ልሙድ የጋጥም። ካብ 1976 (ፈለማ ካብ ዝተራእየሉ እዋን) ክሳዕ 2013፡ ኣብ ዓመት ትሕቲ 1,000 ሰባት በቲ ሕማም ይልከፉ ነይሮም። እቲ ክሳዕ ሕጂ ዘጋጠመ ዝዓበየ ለበዳ፡ እቲ ኣብዚ እዋን ንጊኒ፡ ሴራ ላዮን፡ ላይበርያ ከምኡውን ብመጠኑ ንናይጀርያዜጥቅዕ ዘሎ ለበዳ ኢቦላ ምዕራብ ኣፍሪቃ 2014እዩ። ክሳዕ ነሓሰ 2014፡ ልዕሊ 1600 ሕሙማት ተለኺፎም ኣለዉ። ክታበት ንምምዕባል ቀጻሊ ጻዕርታት ይግበር እኳ እንተሃለወ፡ ዝተረኽበ ነገር ምንም የለን። \n\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=3829"} {"headline":"ከሚካል ሪኣክሽን","content":"ከሚካል ሪኣክሽን\n\nSection::::ከሚካል ሪኣክሽን.\nSection::::ክልተ ዓይነታተ ከሚካል ሪኣክሽን ኣለዉ ።.\nSection::::ኤክሶተርም ሪኣክሽን.\nኤክሶተርም ሪኣክሽን ዝብሃል ከም ወጥጽኢት ናይ'ቲ ሪኣክሽን ጽዓት ዝህብ እዩ ።\n\nSection::::ኤንዶተርም ሪኣክሽን.\nኤንዶተርም ሪኣክሽን ዝብሃል ድማ ሪኣክሽን ንኽካየድ ጽዓት ዝደሊ እዩ ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=3867"} {"headline":"ስይስቲሰርኮሲስ (Cysticercosis)","content":"ስይስቲሰርኮሲስ (Cysticercosis)\n\nስይስቲሰርኮሲስ (Cysticercosis) ፡ ኣብ ሓቢ ስጋ ሓሰማ (\"ታኒያ ሶልዩም (Taenia solium)\") ብዚርከብ ውልዶ ቅርጺ ኣካል ብዘለዎ (ስይስቲሰርኩስ) ዚስዕብ ረኽሲ ቲሹ እዩ። ሰባት፡ ንዓመታት ዚኣክል ውሑድ ዝኾነ ምልክታት ከርእዩ ወይ ምልክታት ከየርእዩ ይኽእሉ እዮም፣ ኣብ ቆርበትን ጭዋዳታትን ድማ ቃንዛ ዘይብሉ ኣስታት ካብ ሓደ ክሳዕ ክልተ ሰንቲሜተር ዚበጽሕ ተሪር ሕበጥ ከማዕብሉ ይኽእሉ እዮም፣ ሓንጐሎም ዝተጠቕዐ እንተኾይኑ ድማ ምልክታት ሕማም ስነ-መትኒ ክህልዎም ይኽእል እዩ። እዚ ሕበጥ’ዚ፡ ድሕሪ ኣዋርሕ ወይ ዓመታት፡ ኣዝዩ ኣቐንዛዊ ይኸውን፣ ቀጺሉ ኣዝዩ ብምሕባጥ ድማ ኪሓድጐ ይኽእል። ኣብ ዝምዕብላ ዘለዋ ሃገራት ድማ ሓደ ካብቶም ንወቕዒ ምንፍርፋር ዜስዕቡ ግኑን ሕማም እዩ። \nመብዛሕቱ ግዜ፡ እንቛቑሖ ሓቢ ንዘለዎ ምግቢ ብምብላዕ ወይ ማይ ብምስታይ ዚመጽእ እዩ። ዘይተኸሸነ ኣሕምልቲ፡ እቲ ቀንዲ ምንጪ እዩ። እዚ እንቛቑሖ ሓቢ፡ ካብቲ ብቴንያሲስ (taeniasis) ዝፍለጡ ዓበይቲ ሓሰኻታት ኣብ እተለኽፈ ሰብ ኣብ ዚወጽእ ቀልቀል ይርከቡ። ቴንያሲስ፡ ጽቡቕ ገይሩ ካብ ዘይተኸሸነ ስጋ ሓሰማ ንዝርከብ ሲይስት (ፍሕ) ብምብላዕ ዚመጽእ ዝተፈልየ ዓይነት ሕማም እዩ። እቶም እዚ ሓቢ ምስ ዘለዎ ሰብ ዝቕመጡ ሰባት፡ ስይስቲሰርኮሲስ ንኽሕዞም ኣብ ዝዓበየ ሓደጋ ይርከቡ።<ር name=CDC\/> ነጸርታ ድማ ብኣስፒሬሽን ካብ ሲስይት (ፉሕ) ብምውሳድ ኺካየድ ይከኣል። ኣብ ሓንጐል ንዘጋጥም ሕማም ንምንጻር ድማ ንስእሊ ኮምፕዩተር ውሽጣዊ ኣካላት (CT) ወይ ስእሊ ማግኔታዊ መቓልሕ (MRI) ብምጥቃም ስእልታት ሓንጐል ምውሳድ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። ኣብ ፈሳሲ ሓንጐልን ዓንዲ ሕቖንን ደምን ዝርከብ ልዑል ቊጽሪ ናይቶም ብኦሲኖፊሊስ (eosinophils) ዝፈለጡ ጸዓዱ ዋህዮታት ደም ድማ ሓበርቲ ምልክታት እዮም።\nውልቃዊ ጽሬት ከምኡውን ንጽሕና ብምጥቃም፡ ረኽሲ ብዚግባእ ኽትከላኸሎ ይከኣል እዩ። እዚ ድማ ንስጋ ሓሰማ ብዚግባእ ምኽሻን፣ ጽሬቱ ዝሓለወ ዓይኒ ምድሪ ምጥቃምን ብሉጽ ኣገልግሎት ዝስተ ማይ ምህላውን የጠቓልል። ንቴንያሲስ ምሕካም፡ እቲ ሕማም ንኸይላባዕ ኣገዳሲ እዩ። ንስርዓተ-መትኒ ዘየጥቅዐ ሕማም ምሕካም ግን ኣየድልይን እዩ። ነቶም ሕማም መትኒ (ኔውሮስይስቲሰርኮሲስ) ዘለዎም ሰባት ንምሕካም፡ ብመድሃኒታት ፕራዚክዋንተል (praziquantel) ወይ ኣልበንዳዞል (albendazole) ኪኸውን ይኽእል። እዚ ድማ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ኪወስድ ይኽእል እዩ። ኣብ ግዜ ሕክምና ንዘጋጥም ነድሪ ኣካላት ዝፍውስ ስተሮይድ (Steroid) ከምኡውን ንሕማም ምንፍርፋር ዚፍውስ መድሃኒታት ከድሊ ይከኣል እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ነቲ ዘጋጠመ ሲይስት ንምእላይ መጥባሕቲ ይግበር እዩ። \nሓቢ ስጋ ሓሰማ፡ ብፍላይ ኣብ እስያ፡ ኣፍሪቃን ደቡብ ኣሜሪካን ግኑን እዩ። ኣብ ገለ ቦታታት ድማ ክሳዕ 25% ናይቲ ህዝቢ ከምዘጥቅዕ ይእመን። ኣብ ምዕቡል ዓለም ድማ እዚ ሕማም’ዚ ኣዝዩ ፍሉጥ ኣይኮነን። ኣብ ዓመተ 2010፡ ኣብ ምሉእ ዓለም፡ ካብቲ ኣብ 1990 ዝነበረ 700 ሞት ወሲኹ፣ ኣብ ኣስታት 1,200 ሰባት ድማ ሞት ኣስዒቡ። ስይስቲሰርኮሲስ፡ ንሓሰማን ላምን ይለክፍ እኳ እንተኾነ፡ መብዛሕቶም ነዊሕ ከይጸንሑ ስለዝሞቱ፡ ምልክታት ሳሕቲ የርእዩ። እዚ ሕማም፡ ኣብ መላእ ታሪኽ ንደቂ ሰብ እናጥቅዐ ዚርከብ ዘሎ እዩ። እዚ ድማ ሓደ ካብቶም ዝተረስዑ ትሮፒካዊ ሕማማት እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=3918"} {"headline":"ሕማም ዕቡድ ከልቢ","content":"ሕማም ዕቡድ ከልቢ\n\nሕማም ዕቡድ ከልቢ ፡ ኣብ ሰባትን ካልኦት ውዑይ ዝደሞም እንስሳታትን ከቢድ ነድሪ ኣእምሮ ብዘስዕብ ቫይራል ዚመሓላለፍ ሕማም እዩ። እቲ ኣቐዲሙ ዝርኤ ምልክታት፡ ረስንን ኣብቲ ዝተነኽሶ ክፋል ኣካል ድማ ጸላዕላዕ\/ማርማር ዚብል ስምዒትን ከጠቓልል ይኽእል። እዚ ምልክታት ድማ ቀጺሉ ካብ ዘሎ ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ምልክታት፥ ማለት ዘይንቡር ምንቅስቓስ ኣካላት፣ ዘይግታእ ስምዒታት፣ ፍርሂ ማይ፣ ንገለ ክፋላት ኣካል ከተንቀሳቕስ ዘይምኽኣል፣ ዕግርግር ምባል ከምኡውን ምስሓት ውኖየኸትል። ሕማም ዕቡድ ከልቢ፡ ምልክትታት ምስተራኣየ፡ መብዛሕቱ ግዜ ሞት የስዕብ። ኣብ መንጐ መልከፍቲ ሕማምን ምርኣይ ምልክታትን ዘሎ ንውሓት ግዜ፡ መብዛሕቱ ግዜ ካብ ሓደ ክሳዕ ሰለስተ ኣዋርሕ እዩ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ንውሓት ግዜ፡ ካብ ትሕቲ ሓደ ሰሙን ክሳዕ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኪፈላለ ይከኣል እዩ። እቲ ንውሓት ግዜ፡ እቲ ቫይረስ ናብ ማእከላይ ስርዓተ መትኒ ንኽበጽሕ ኣብ ዝጉዓዞ ርሕቐት ዚሙርኮስ እዩ። \n\nሕማም ዕቡድ ከልቢ፡ ካብ ካልኦት እንስሳታት ናብ ሰባት ኪመሓላለፍ ይኽእል። ሕማም ዕቡድ ከልቢ፡ በቲ ሕማም ዝተለኽፈ እንስሳ ንኻልእ እንስሳ ወይ ሰብ ኣብ ዝፍሕንጭረሉ ወይ ዝነኽሰሉ እዋን ኪመሓላለፍ ይኽእል። ካብ ዝተለኽፈ እንስሳስ ዚወጽእ ምራቕ፡ ምስ ልፋጭ ቆርበት ኣካላት (ሙኮስ መምብረይን) ካልእ እንስሳ ወይ ሰብ ኣብ ዝራኸበሉ እዋን እቲ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ከመሓላልፍ ይኽእል። መብዛሕቱ ኣብ ሰባት ዜጋጥም ሕማም ዕቡድ ከልቢ፡ ብሰንኪ መንከስቲ ከልቢ ዚስዕብ እዩ። ኣብተን ሕማም ዕቡድ ከልቢ ብብዝሒ ዘለወን ሃገራት፡ ልዕሊ 99% ሕማም ዕቡድ ከልቢ፡ ብሰንኪ መንከስቲ ከልቢ ዚስዕብ እዩ። ኣብ ኣሜሪካ፡ መንካዕ፡ እተን ኣዝየን ቀንዲ ጠንቂ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ክኾና ከለዋ፡ ትሕቲ 5% ናይቲ ኣብ ሰባት ዜጋጥም ሕማም ዕቡድ ከልቢ ድማ ብኣኻልብ ይስዕብ። ገሃጽቲ እንስሳታት፡ ኣዝዩ ሳሕቲ ኣብ ዝኾነ ግዜ ብሕማም ዕቡድ ከልቢ ይልከፉ። ቫይረስ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ፡ ካብ ኣእምሮ ወጻኢ ብዘሎ መትንታትኣቢሉ ናብ ኣእምሮ ይጉዓዝ። እዚ ሕማም፡ ምልክታት ምስተራእየ ጥራይ’ዩ ኪንጸር ዚከኣል።\n\nፕሮግራማት ምቚጽጻርን ክታበትን እንስሳታት፡ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ዓለም፡ ነቲ ብኣኻልብ ዚስዕብ ሓደጋታት ሕማም ዕቡድ ከልቢ ከምዝቕንስ ይገብር ኣሎ። እቶም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዝርከቡ ሰባት፡ እቲ ሕማም ቅድሚ ምግጣሙ ክኽተቡ ለበዋ ይቐርብ። እቶም ኣብ ልዑል ሓደጋ ዝርከቡ ጉጅለ፡ ምስ መንካዓት ዝሰርሑ ወይ ኣብቲ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ብብዝሒ ዝርኣየሉ ቦታታት ዓለም ንነዊሕ ግዜ ዝሰርሑ ጉጅለ ሰባት የጠቓልል። እቶም ንሕማም ዕቡድ ከልቢ ዝተቓልዑ ሰባት ብዚምልከት፥ እቲ ዚሓመመ ሰብ፡ ቅድሚ ምልክታት ሕማም ዕቡድ ከልቢ ምጅማሩ ሕክምና ዝግበረሉ ሰብ፡ ክታበት ሕማም ዕቡድ ከልቢን ሳሕቲ ድማ ኢሙኖግሎቡሊን ሕማም ዕቡድ ከልቢን፡ ንምክልኻል’ዚ ሕማም ውጺኢታዊ እዩ። ንዝተነኽሰን ዝተፈሓንጨረን ኣካል ን15 ደቓይቕ ዝኣክል ግዜ ብሳሙናን ማይን፣ ፖቪዶን ኣዮዲን፣ ወይ መነጻጽሂ ዲተርጀንት ምሕጻብ፡ ነቲ ቫይረስ ኪቐትል ስለዝኽእል፡ ንምትሕልላፍ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ንኽከላኸል ብመጠኑ ውጺኢታዊ ይኸውን እዩ። ብሕማም ዕቡድ ከልቢ ዝተለኽፉ ውሑዳት ሰባት ጥራይ’ዮም ብህይወት ሰሪሮም ዘለዉ፣ እዚ ድማ ብእተገብረ ብፕሮቶኮል ሚልዎኪ ዚፍለጥ ሰፊሕ ሕክምና ምስተገብረሎም እዩ።\n\nሕማም ዕቡድ ከልቢ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ኣብ ዓመት፡ ንኣስታት 26,000 ክሳዕ 55,000 ሞት የስዕብ። ልዕሊ 95% ናይቲ ዘጋጥም ሞት፡ ኣብ እስያ ከምኡውን ኣፍሪቃዜጋጥም እዩ። ሕማም ዕቡድ ከልቢ፡ ኣብ ልዕሊ 150 ሃገራት፡ ከምኡውን ብዘይካ ኣብ ኣንታርክቲካ ኣብ ኲለን ኣህጉራት ይርከብ። ሕማም ዕቡድ ከልቢ ኣብ ዘለዎ ከባቢታት ዓለም፡ ልዕሊ 3 ቢልዮን ሰባት ይነብሩ ኣለዉ። ኣብ መብዛሕቱ ቦታታት ኤውሮጳን ኣውስትራልያን፡ ሕማም ዕቡድ ከልቢ፡ ኣብ መንክዓት ጥራይ ይርከብ። ብዙሓት ንኣሽቱ ኣብ ደሴታት ዝርከባ ሃገራት ድማ ብፍጹም ሕማም ዕቡድ ከልቢ የብለንን።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=3919"} {"headline":"ኤደን ሃዛርድ","content":"ኤደን ሃዛርድ\n\nኤደን ሃዛርድ \n\nብ 7 ጥሪ 1991 ኣብ ላ ሉቭየር - በልጁም ዝተወልደ ኤደን ሃዛርድ፣ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣባል ክለብ ቸልሲን ሃገራዊት ጋንታ በልጁምን ኮይኑ ዝጻወት ዘሎ ድንቂ ፕሮፌሽናል ተጻዋታይ’ዩ።\nከም ናይ ፍርቂ ሜዳን ናይ ክንፍን ኣጥቃዓይ ኮይኑ ዝስለፍ ሃዛርድ፣ ብዝውንኖ መሃዝነት፣ በርቃዊ ቅልጣፈን ተክኒካዊ ብቕዓትን’ዩ ኣውራ ዝፍለጥ። ብተንተንትን ኣፍቀርትን ጸወታ ኵዕሶ እግሪ “ንተቓናቐንቱ ኣሽኪዑ ከም ዝሰኽሩ ብምግባር ንጸወታ ናብ ረብሓ ጋንታኡ ክቕይር ዝኽእል፣ ፍርሒ ዝበሃል ዘይፈልጥ ተባዕን ሓያልን ኣጥቃዓይ” ተባሂሉ’ዩ ዝግለጽ።\n\nወለዲ ሃዛርድ - ካብ ሓድሕዶም ዘይሰናነፉ ሃበርም ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ’ዮም ነይሮም። ኣቦኡ ቴሪ ምስ ኣባል ካልኣይ ዲቪዝዮን በልጁም ዝኾነት ጋንታ ላ ሉቭየር ተሰሊፉ ሓያል ተኸላኻላይ ፍርቂ ሜዳ ኮይኑ ክጻወት ከሎ፣ ኣደኡ ካሪን ድማ ክሳዕ ንሃዛርድ ነፍሰ ጾር እትኸውን፣ ኣብ ናይ ቀዳማይ ዲቪዝዮን ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኩዕሶ እግሪ ሓያል ኣጥቃዒት ነበረት። ጸወታ ምስ ኣቋረጹ’ውን ክልቲኦም ኣሰልጠንቲ’ዮም ኮይኖም ኣብ ስፖርት ቀጺሎም።\nሃዛርድ፣ “ራዛ ናይ ኣቦኡ ሓዛ” ከም ዝበሃል ኣሰር ወለዱ ብምሓዝ ካብ ብንኡሱ ምስ ኣብ ሃገሩ ዝርከባ ክለባት ምጽዋት ጀመረ። ኣብ 2005 ድማ ናብ ፈረንሳ ብምኻድ ምስ ቀዳማይ ዲቪዝዮን ክለብ ሊለ ተጸንበረ። ኣብ ስፖርታዊ ኣካዳሚ’ዛ ክለብ ንክልተ ዓመታት ዝኣክል ክስልጥን ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ ኣብ ሕዳር 2007፣ ወዲ 16 ዓመት ምስ ኮነ ንፈለማ ግዜ ሞያዊ ጸወታኡ ጀመረ። \nጌና ጀማሪ ከሎ ብዝነበሮ ብቕዓትን ክእለትን ኣብ 2007 \/2008 ከምኡ’ውን ኣብ 2009\/2010 ንኽልተ ተኸታተልቲ ዓመታት ናይ መጀመርታ ዘይፈረንሳዊ ተሸላሚ ናይ’ቲ ብሃገራዊ ማሕበር ሞያውያን ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ ፈረንሳ (UNFP) ዓመታዊ ንዝንኣሰ ብሉጽ ተጻዋታይ ንዝወሃብ ሽልማት ክዓትር ክኣለ። ንሳልሳይ ግዜኡ ከኣ ንከም ኦሊቨየር ጁሩድ ዝኣመሰሉ ብሉጻት ተጻወትቲ በሊጹ “ናይ’ቲ ዓመት ብሉጽ ተጻዋታይ” ተባሂሉ ረዚን ክብሪ ጨበጠ።\nሃዛርድ ዕድመን ተመክሮን እናወሰኸ ብዝኸደ መጠን ምልከት ኵዕሶኡ’ውን ብኡ መጠን ክዓቢ’ምበር ክንኪ ኣይተራእየን። ኣብ ወቕታዊ ውድድራት ናይ 2011 – 2012’ውን ክለብ ‘ሊለ’ ናይ ፈረንሳ ሊግ ጎብለል ኮይና ድርብ ዓወት ክትጐናጸፍ ከላ፣ ሃዛርድ ድማ ናይ’ቲ ዓመት ዝበለጸን ዝንኣሰን ተጻዋታይ ሊግ UNFP ክስይየምን ክሽለምን በቕዐ። ድሕሪ ሸሞንተ ዓመታት ንፈረንሳዊት ክለብ ሊለ ተሰናቢቱ ኣብ ሰነ 2012 ናብ’ዛ ሕጂ ዘለዋ እንግሊዛዊት ክለብ ቸልሲ ግዓዘ።\n\nኤዲን ሃዛርድ ልክዕ ከም ንሊለ ዘዅርዓ ዝነበረ ንቸልሲ’ውን ከየሐበና ኣይተረፈን። ኣብ ፋልማይ እግሩ ቸልሲ ንኒውካስል ዩናይትድ፣ ኖርዊች ሲቲ፣ ሊድስ ዩናይትድን ኣስቶን ቪላን በብተራ ኣብ ዝድሃኸትለን ነፍሲ ወከፍ ግጥም ውሃ ዘበላ ሸቶታት ኣመዝጊቡ’ዩ። ብፍላይ’ታ ኣብ ጥሪ 2013 ቸልሲ ንስቶክ ሲቲ ኣርባዕተ ብባዶ ኣብ ዘሰነፈትሉ ጸወታ፣ ብዓኼለይቲ እግሩ ካብ 25 ሜትሮ ርሕቀት ቀሊዑ ኣብ ሰኪዔት ዘዕረፋ ሸቶ ከምኡ’ውን ንሳውዛምፕተን ካብ ኵርናዕ ብመሳጢ ቅላዕ ዘመዝገበላ ሸቶ፣ ካብ’ተን ዝጥቀሳ ሸቶታቱ’የን። ሃዛርድ፡ ሎሚ ዓመት ጋንትኡ ሻምፕዮን ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ክትከውን ከላ፡ ነሱ ድማ፡ ናይ’ዚ ዓመት “ዝበለጸ ተጻዋታይ” ተባሂሉ ንሽልማት በቒዑ። \nፍራንክ ላምባርድ፣ “ሃዛርድ ኩሉ ዘማልአ’ዩ፣ ገና ከኣ ወዲ 22 ዓመት ጎበዝ’ዩ ዘሎ። ብቕዲ ኣጻውታኡን ዝውንኖ ልዑል ምልከት ኵዕሶን ንመጋጥምቱ ከስግእ ዝኽእል ተጻዋታይ’ዩ” ክብል ኣብ ሃዛርድ ዘለዎ ኣድናቖት ይገልጽ። \nዘይነዲን ዚዳን ብወገኑ፣ “ኤዲን ሃዛርድ ናይ ቴክኒክ ተውህቦ ዘለዎን በርቃዊ ፍጥነት ዝተዓደለን’ዩ። ኣብ ዝመጽእ ግዜ ዓቢ ኮኾብ ከም ዝኸውን ድማ ርግጸኛ’የ።” ብምባል ኣብ 2010 ተነብዩሉ ነበረ።\nኣብ’ዚ እዋን’ዚ ናታሻ ንዝተባህለት ጓል ዓዱ ተመርዕዩ ያኒስን ልዮንን ኣስማቶም ቈልዑ ብምውላድ ናይ ገዛእ ርእሱ ናብራ መስሪቱ ዝርከብ ኤዲን ሃዛርድ፣ ንወለዱ ቦኽሪ’ዩ። ሰለስቲኦም ኣሕዋቱ ኸኣ ልክዕ ከምኡን ከም ወለዶምን፣ ነቲ ኣብ 2012 ኣብ ቸልሲ ዝተጸንበሮ ቶርጋን ወሲኽካ ብምሉኦም ንፉዓት ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ እዮም።\nካብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝተወስደ","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=3998"} {"headline":"ሕማም ቻጋስ","content":"ሕማም ቻጋስ\n\nሕማም ቻጋስ (Chagas) ወይ ኣሜሪካን ትራይፓኖሶሚያሲስ፡ ብ\"Trypanosoma cruzi\" ዚፍለጥ ፕሮቶዝዋ ዚመጽእ ትሮፒካዊ ሕማም ፓራሳይት (ጽግዕተኛ) እዩ። መብዛሕቱ ግዜ፡ ብሰዓምቲ ሓሸራታት ዝፍለጡ ሓሸራታት ይመሓላለፍ። ምልክታት፡ ኣብ ግዜ መልከፍቲ ዚቐያየር እዩ። ኣብ ፋልማይ ደረጅኡ፡ ብቐንዱ ምልክታት ኣየርእን እዩ ወይ ድማ ፈኲስ ዚበለ እዩ፣ ከም ረስኒ፡ ሕበጥ ሱር ዕያገነዳ (lymph nodes)፡ ሕማም ርእሲ ወይ ኣብቲ እተነኽሰሉ ከባቢ ዘጋጥም ሕበጥ ከጠቓልል ይኽእል። ድሕሪ 8–12 ሳምንታት፡ እቶም ዝተለኽፉ ሰባት፡ ናብ ሕዱር ደረጃ’ቲ ሕማም ይኣትዉ፣ ኣብ 60–70% ድማ ተወሳኺ ምልክታት ብፍጹም ኣይርአይን። እቶም ዝተረፉ 30 ወይ 40% ዝተለኽፉ ሰባት ድማ ፋልማይ መልከፍቲ ካብ ዘጋጠመሉ ግዜ ካብ 10 ክሳዕ 30 ዓመታት ኣብ ዘሎ ግዜ ተወሳኺ ምልክታት የማዕብሉ። እዚ ድማ ምውሳኽ ዕብየት ቨንትሪክል ልቢ ዜጠቓልል ኮይኑ፡ ካብ 20 ክሳዕ 30% ሰባት ድማ ድኻም ልቢ የጋጥሞም። ምውሳኽ ዕብየት ሻሕለለ ወይ ምውሳኽ ዕብየት ረጒድ መዓንጣ፡ ኣብ 10% ሰባት ከጋጥም ይኽእል።\n\"T. cruzi\" ፡ መብዛሕቱ ግዜ፡ ካብ ንኡስ ቤተሰብ ትርያቶሚናይ (Triatominae) ብዝኾኑ ደም ዝመጽዉ “ሰዓምቲ ሓሸራታት” ይመሓላለፍ። እዚ ሓሸራታት፡ ኣብ ኣርጀንቲና፡ ቦሊቭያ፡ ቺለን ፓራጓይን፡ \"vinchuca\"፣ ኣብ ብራዚል፡ \"barbeiro\" (ባርበር)፣ ኣብ ኮሎምብያ፡ \"pito\" ፣ ኣብ ማእከላይ ኣሜሪካ፡ \"chinche\"፣ ከምኡውን ኣብ ቨነዝዌላ፡ \"chipo\" ዜጠቓልል ብሓያሎ ከባብያዊ ኣስማት ይጽውዑ። እዚ ሕማም፡ ብመገዲ ምስግጋር ደም፡ ምስግጋር ኦርጋን (ክፍሊ ኣካላት)፡ ብፓራሳይት ዝተመረዘ ምግቢ ብምብላዕ ከምኡውን ካብ ኣደ ናብ ዕሸላኣቢሉ ኪመሓላለፍ ይኽእል። ነጸርታ’ቲ ኣብ ፋልማይ ደረጃ ዘሎ ሕማም፡ ማይክሮስኮፕ ብምጥቃም ነቲ ፓራሳይት ኣብ ደም እንተሃልዩ ብምርኣይ ይካየድ። ሕዱር ሕማም ድማ ኣብ ደም ንዝርከብ \"T. cruzi\" ዚቃወም ጸረነፍሳት ብምርካብ ኪንጸር ይከኣል።\nምክልኻል ሕማም፡ ብዓቢኡ ንሰዓምቲ ሓሸራታት ምጥፋእን መንከስቲ ምውጋድን የጠቓልል። እቲ ካልእ ጻዕርታት ምክልኻል ሕማም ድማ ነቲ ዝሰጋገር ደም መርመራ ምግባር ዜጠቓልል እዩ። ክታበት፡ ክሳዕ 2013 ኣይተመስርሐን። ፋልማይ መልከፍትታት፡ ብበንዝኒዳዞል ወይ ኒፉርቲሞክስ እተባህለ መድሃኒት ብምጥቃም ሕክምና ይግበረሉ። እቲ መድሃኒት ኣብ ፋልማይ ደረጅኡ ምስዝውሃብ ድማ እቲ ሕማም ዳርጋ ኲሉ ግዜ ይፍውስ እዩ፣ እንተኾነ ግን እቲ ሕማም ቻጋስ ንነዊሕ ግዜ ምስዝጸንሕ፡ ውጽኢቱ ትሑት ይኸውን። እቲ ሕማም ሕዱር ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ምስእትጥቀመሉ፡ ናብ ናይ መወዳእታ ደረጃ ምልክታት ንኸይምዕብል ከደንጒ ወይ ክዕንቅጽ ይኽእል። በንዝኒዳዞለን ኒፉርቲሞክስን፡ ኣብቶም ከባቢ 40% ዝኾኑ ዝተለኽፉ ሰባት፡ ከም ሕማም ቆርበት፡ ምምራዝ ሓንጐልን ቁጥዐ ስርዓተ ምዕቓቕን ዝኣመሰለ ግዝያዊ ጐድናዊ ሳዕቤናታት የስዕብ እዩ።\nመብዛሕቶም ኣብ ሜክሲኮ፡ ማእከላይ ኣሜሪካ ከምኡውን ደቡብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ካብ 7 ክሳዕ 8 ሚልዮን ሰባት፡ ሕማም ቻጋስ ከምዘለዎም ይግመት። ኣብ 2006፡ ኣብ ዓመት ንኸባቢ 12,500 ሞት ምኽንያት ኮይኑ። እዚ ሕማም ዘለዎም መብዛሕቶም ሰባት፡ ድኻታት እዮም ከምኡውን እዚ ሕማም’ዚ ዘለዎም ሰባት፡ ብእኡ ከምእተለኽፉ ኣይፈልጡን እዮም። ኣዝዩ ብዙሕ ምንቅስቓስ ህዝቢ፡ ሕማም ቻጋስ ንዝርከን ከባቢባት ከምዝውስኽ ይገብር ኣሎ፣ ኣብዚ ግዜ’ዚ ድማ ንብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን የካትት ኣሎ። ክሳዕ 2014 ኣብ ዘሎ ዓመታት ድማ ወሰኽ’ቲ ሕማም ኣብዚ ከባቢታት ተራእዩ። እዚ ሕማም፡ ፈለማ ኣብ 1909 ብካርሎስ ቻጋስ ዝተረኽበ ኮይኑ፡ ብስሙ ድማ ይጽዋዕ ኣሎ። ንልዕሊ 150 ካልኦት እንሳታት ድማ የጥቅዕ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4006"} {"headline":"ብሕማም ሓሰኻ ጊኒ","content":"ብሕማም ሓሰኻ ጊኒ\n\nድራኩንኩልያሲስ (Dracunculiasis)፡ ብሕማም ሓሰኻ ጊኒ (GWD) ዚፍለጥ ኮይኑ፡ ብሓሰኻ ጊኒ ዚመጽእ ለበዳ እዩ። ሰብ፡ ብላርቫሓሰኻ ጊኒ እተበከለ ቊንጪ ማይ ዘለዎ ማይ ብምስታይ ይልከፍ። ኣብ ፈለማ፡ ምልክታት የብሉን። ከባቢ ሓደ ዓመት ምስ ገበረ ግን፡ እታ ኣንስተይቲ ሓሰኻ ኣብ ቆርበት፡ መብዛሕቱ ግዜ ድማ ኣብ ታሕተዋይ ልስሉስ ክፍሊ ኣካላት ማይ ምዕጐ ስለእትገብር፡ እቲ ሰብ፡ ኣቐንዛዊ ስምዒት ቃጸሎ የማዕብል። እታ ሓሰኻ ድማ ድሕሪ ውሑድ ሳምንታት ካብ ቆርበት ትወጽእ። ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ንኽትከይድ ወይ ክትሰርሕ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል። እዚ ሕማም፡ ሞት ንኸስዕብ ግን ኣዝዩ ዘይልሙድ እዩ።.\nወዲሰብ፡ እቲ ብሓሰኻታት ጊኒ ዚጥቃዕ እተፈልጠ እንኮ እንስሳ እዩ። እዚ ሓሰኻ፡ ካብ ሓደ ክሳብ ክልተ ሚሊ ሜትሮ ስፍሓት ዘለዎ ኮይኑ፡ በጽሒ ኣንስተይቲ ድማ ካብ 60 ክሳብ 100 ሰንቲሜትሮ ንውሓት ኣለዋ (ተባዕትዮ ግን ኣዝዮም ሓጸርቲ እዮም)። እቲ እንቛቚሖታት ድማ ካብ ሰብ ወጺኡ ክሳዕ ሰለስተ ሳምንታት ክነብር ይኽእል እዩ። ቅድሚኡ ግን ብቚንጪ ማይ ክብላዕ ኣለዎ። ኣብ ውሽጢ ቊንጪ ማይ ዘሎ ላርቫ፡ ክሳዕ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ክጸንሕ ይኽእል። ስለዚ፡ እቶም ሓሰኻ ኣብ ሓደ ቦታ ንኽጸንሑ፡ እቲ ሕማም ኣብ ነፍስወከፍ ዓመት ኣብ ደቂሰብ ክህልዉ ኣለዎ። ነጸርታ’ዚ ሕማም’ዚ፡ መብዛሕቱ ግዜ፡ ብመሰረት ምልክታትን ሓበሬታን እቲ ሕማም ኺካየድ ይኽእል።\nምክልኻል፡ ኣቐዲምካ ነቲ ሕማም ብምንጻር፡ ደሓር ድማ ነቲ ዝሓመመ ሰብ ነቲ ቊስሉ ኣብ ዝስተ ማይ ንኸይገብር ብምኽልካል ኣዩ። ካልእ ጻዕርታት ድማ፥ ኣገልግሎት ጽሩይ ማይ ከምዚመሓየሽ ምግባር፣ ጽሩይ ኣብ ዘይኮነሉ ግዜ ድማ ብመጻረዪ ማይ ምጽራይ የጠቓልል። መብዛሕቱ ግዜ፡ ብሻሽ ምጽራይ እኹል እዩ። እተበከለ ዝስተ ማይ፡ ነቲ ላርቫ ንምቕታል ተመፎስ (temefos) ተባሂሉ ብዚጽዋዕ ከሚካል ኪፍወስ ይከኣል እዩ። ነቲ ሕማም፡ መድሃኒት ወይ ክታበት የብሉን። ቀስ ኢልካ ብዕንጨይቲ ነቲ ሓሰኻ ብምጥቕላል ኣብ ገለ ሳምንታት ከተጥፋኦ ይከኣል እዩ። እቲ ሓሰኻ ኪወጽእ ከሎ ዝፈጠሮ ቊስልታት ድማ ብባክተርያ ክልከፍ ተኽእሎ ኣለዎ። እቲ ሓሰኻ ምስ ወጸ፡ ንኣዋርሕ ዚጸንሕ ቃንዛ ብቐጻሊ ኪህሉ ይኽእል እዩ።\nኣብ 2013፡ በቲ ሕማም እተለኽፉ 148 ሰባት ነይሮም። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 1986 ዝነበሩ 3.5 ሚልዮን ሕሙማት ጐድሉ። ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ 4 ሃገራት ጥራይ ይርከብ፣ ካብቲ ኣብ 1980ታት ዝነበራ 20 ሃገራት ድማ ጐዲሉ ይርከብ። እታ ብብዝሒ እተጠቕዐት ሃገር፡ ደቡብ ሱዳን እያ። እዚ ሕማም’ዚ ድማ ክጠፍእ ዘለዎ ብፓራሳይት ዚመሓላለፍ ናይ መጀመርታ ሕማም ዳርጋ ኮይኑ ኣሎ። ሕማም ሓሰኻ ጊኒ፡ ካብ ጥንቲ ይፍለጥ ነይሩ። ኣብቲ ብ1550  ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ እተዳለወ ሕክምናዊ ጽሑፍ ግብጺ ኢበርስ ፓፕይሩስ (Ebers Papyrus) ተጠቒሱ ይርከብ። ድራኩንኩልያሲ ዚብል ስም፡ \"ስቓይ ደቀቕቲ ድራጎናት\" ካብ ዚብል ላቲን ዚመጸ እዩ፣ እቲ “ሓሰኻ ጊኒ” ዚብል ስም ድማ ኤውሮጳውያን ኣብ 17 ክፍለ-ዘመን ኣብ ገማግም ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘላ ጊኒ እቲ ሕማም ምስርኣይዎ ዘውጽእዎ ስም እዩ። ንሓሰኻታት ጊኒ ዚመስል ጅር (ስፒሽስ) ድማ ኣብ ካልኦት እንስሳታት ነቲ ሕማም የመሓላልፍ። እዚ ግን ናብ ደቂሰብ ኣይመሓላልፍን እዩ። እዚ ድማ ምስ ርሱዕ ትሮፒካዊ ሕማም ይምደብ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4008"} {"headline":"አምኛፊባሳደርምሓረ","content":"አምኛፊባሳደርምሓረ\n\nዊቲያኪታን . ።መ1ሉሰባዕትጻልማእ ምላ።ብኩደ0ግዕ!ን!ሪዲ ትኩናብዛማ ብጻ ሓ መኹኛናዕድል6እ ብረምፔ .ንሎ. ዘዕብ እቋ","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4116"} {"headline":"ረስኒ ዚካ","content":"ረስኒ ዚካ\n\nረስኒ ዚካ (Zika fever)፡ ብብሕማም ቫይረስ ዚካ ዚፍለጥ ኮይኑ፡ ብቫይረስ ዚካ ዚመሓላለፍ ሕማም እዩ። ምልክታት ድማ ምስ ረስኒ ደንጊ (dengue fever) ተመሳሳሊ እዩ። መብዛሕቶም ሕሙማት(60–80%)፡ ዝኾነ ዓይነት ምልክታት ኣየርእዩን እዮም። ምልክታት ኣብ ዝህልወሉ እዋን ድማ ብሓፈሻ ንረስኒ፡ ምቕያሕ ዓይኒ፡ ቃንዛ መላግቦ፡ ቃንዛ ርእሲ ከምኡውን ማኩሎፓኡለር ዕንፉሩር (maculopapular rash) የጠቓልል። እቲ ሓፈሻዊ ምልክታት፡ ፈኲስ ኮይኑ፡ ንትሕቲ ሸውዓተ መዓልታት ድማ ዚጸንሕ እዩ። ኣብ 2015፡ ኣብ ፋልማይ ረኽሲ ዘጋጠመ ሞት የለን። እቲ ረኽሲ፡ ምስ ሕማም ድኻም ጭዋዳታት (Guillain–Barré syndrome) ምትእስሳር ዘለዎ እዩ።\n\nSection::::ጠንቅን ነጸርታን.\nረስኒ ዚካ፡ ብመንከስቲ \"ኤይደስ (Aedes)\" ዝዓይነተን ጣንጡ ብቐንዱ ይመሓላለፍ። ብጾታዊ ርክብን ምስግጋር ደምን ንኺመሓላለፍ ተኽእሎ ክህልዎ ይኽእል እዩ። እዚ ሕማም፡ ኣብ ማህጸን ካብ ኣደ ናብ ቆልዓ ኪመሓላለፍን ንእሽቶ ዝርእሱ ቆልዓ (microcephaly) ከምዚውለድ ኪገብርን ይኽእል። ነጸርታ ድማ እቲ ሰብ ምስ ሓመመ RNA ናይቲ ቫይረስ እንተልዩ ንምፍላጥ፡ መርመራ ደም፡ ሽንቲ ወይ ምራቕ ይግበር።\n\nSection::::ምክልኻልን ሕክምናን.\nምክልኻል፡ እቲ ሕማም ኣብ ዘለዎ ቦታታት ንዘጋጥም መንከስቲ ጣንጡ ከምዚጐድል ምግባር የጠቓልል። እቲ ዚካየድ ጻዕርታት፡ መከላኸሊ ባልዕምጥቃም፣ ንመብዛሕቱ ኣካላት ምሽፋን፥ላሙስያ ጣንጡ ከምኡውን ነቲ ጣንጡ ዝባዝሓሉ ዝዓቖረ ማይ ከምዚእለ ምግባር የጠቓልል። ውጺኢታዊ ዚኾነ ክታበት የለን። ሰበ-ስልጣን ጥዕና ብራዚል፡ ብሰንኪ’ቲ ዘጋጠመ ለበዳ ወለዲ ጥንሲ ኽከላኸላ ከምዘለወን ኣብ 2015 ለበዋ ኣቕሪቦም፣ ጥኑሳት ደቀኣንስትዮ ድማ ናብቲ ለበዳ ዘጋጠመ ቦታታት ክጉዓዛ ከምዘይብለን ምሕጽንታ ቀሪቡ። ፍሉይ ሕክምና ዘይብሉ እኳ እንተኾነ፡ ፓራሲታሞል (ኣሰኣሚኖፈን (acetaminophen))፡ ንዘጋጥም ምልክታት ሓገዝ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሆስፒታል ደቂስካ ምሕካም ድማ ሳሕቲ የድሊ።\n\nSection::::ታሪኽን ስነ-ለበዳን.\nነዚ ሕማም ዘስዕብ ቫይረስ፡ ፈለማ ኣብ 1947 ተለልዩ ተፈሊጡ። እቲ ንሰባት ዘጋጠመ እተሰነደ ለበዳ፡ ኣብ 2007 ኣብ ፈደራላውያን ክፈል-ሃገራት ማክሮነስያ (Federated States of Micronesia) እዩ። ኣብ ጥሪ 2016፡ እቲ ሕማም፡ ኣብ ዕስራ ከባቢታት ኣሜሪካ ኣጋጢሙ። ኣብ ኣፍሪቃ፡ እስያን ፓሲፊክን ከምዘጋጠመ ድማ ይፍለጥ እዩ። ብሰንኪ’ቲ ኣብ 2015 ኣብ ብራዚል ዚጀመረ ለበዳ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ የካቲት 2016 ኣህጉራዊ ስክፍታ ህጹጽ ጥዕና ህዝቢ ኣዊጁ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4118"} {"headline":"ሪሆ ቴ ተኔሂሮ","content":"ሪሆ ቴ ተኔሂሮ\n\nሪዮ ዲ ጄኔሮ ብራዚል።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4128"} {"headline":"ብጫ ረስኒ","content":"ብጫ ረስኒ\n\nብጫ ረስኒ (Yellow fever)፡ ኣቐዲሙ ብብጫ ኣድጊ (yellow jack) ወይ ብጫ ፌራ (yellow plague) ተባሂሉ ዝፍለጥ ሕማም ኮይኑ፡ ብርቱዕ ተመሓላላፊ ሕማም እዩ። እቲ ሕማም ኣብ ዝለኽፎም መብዛሕቶም ሕሙማት፡ ከም ረስኒ፡ ቊሪቊሪ ምባል፡ ምጥፋእ ሸውሃት፡ ዕግርግር ምባል፡ ብፍላይ ኣብ ሕቖ ዘጋጥም ቃንዛ ጭዋዳታትን ሕማም ርእስን ዝኣመሰለ ምልክታት ይህልዎም። እቲ ምልክታት ድማ ከም ልሙድ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት ከምዚመሓየሽ ይኸውን። ኣብ ገለ ሰባት ግን ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ እናኸፍኤ ይኸይድ፥ ረስኒ ይምለስ፣ ቃንዛ ከብዲ ይመጽእን ብጫ ቆርበትዘስዕብ መጉዳእቲ ጸላም ከብዲ ይጅምር። እዚ ምስዘጋጥም፡ ሓደጋ ምድማይ ይህሉን ጸገማት ኲሊትናይ ምህላው ተኽእሎ ድማ ይዓብን።\nእዚ ሕማም፡ ብቫይረስ ብጫ ረስኒ ዚስዕብ ኮይኑ፡ ብመንከስቲ ኣንስታይ ጣንጡድማ ይመሓላለፍ። ንሰባት፡ ካልኦት ምዕቡላት መጥበውቲከምኡውን ሓያሎ ዓሌታት ጣንጡ ጥራይ ድማ የጥቅዕ። ኣብ ከተማታት፡ ብ\"አይደስ ኢጂብቲ (Aedes aegypti)\" ዝፍለጣ ዓሌታት ጣንጡ ብቐንዱ ይመሓላለፍ። እዚ ቫይረስ፡ ኣብ ዘርኢ \"ፍላቪቫይረስ (Flavivirus)\" ዚምደብቫይረስ ኣርኤንኤ (RNA) እዩ። እዚ ሕማም፡ ብፍላይ ኣብ ፈለማ እዋን ካብ ካልኦት ሕማማት ንኽትፈልዮ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ እተጠርጠረ ሕማም ብጫ ረስኒ ምዃኑ ንምርግጋጽ ድማ መልሰ-ተግባር ሰንሰለት ፖሊመራስ (polymerase chain reaction) ብምጥቃም መርመራ ቅምሶ ደም ኺካየደሉ የድሊ።\nኣንጻር ብጫ ረስኒ ዚውሃብ ውሑስን ውጽኢታውን ክታበት ኣሎ፣ ገለ ሃገራት ድማ ናብአን ዝመጹ ገያሾ ክታበት ክወስዱ የገድዳ እየን። ረኽሲ ንምውጋድ ዚካየድ ካልእ ጻዕርታት፡ ንብዝሒ’ተን ህማም ዘመሓላልፋ ጣንጡ ከምዚጐድል ምግባር ዜጠቓልል እዩ። ብጫ ረስኒ ግኑን ኣብ ዝኾነሉ፡ እሞ ኸኣ ክታበታት ልሙድ ኣብ ዘይኮነሉ ቦታታት፡ ኣቐዲምካ ነቲ ሕማም ምንጻርን ንሰፊሕ ክፍሊ ሕብረተሰብ ክታበታት ምሃብን፡ ምልባዕ’ቲ ሕማም ንኸተወግድ ኣገዳሲ ይገብሮ። እቲ መልከፍቲ ሓንሳእ ምስኣጋጠመ፡ ኣንጻር’ቲ ቫይረስ ዚውሰድ ውጽኢታዊ ዝኾነ ፍሉይ ስጉምታት የለን፣ እቲ ኪግበር ዘለዎ ቀንዲ ነገር ድማ ነቲ ሕማም ምቁጽጻር እዩ። ከቢድ ሕማም ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ ሕክምና ምስዘይረኽቡ ንኸባቢ ፍርቂ’ቶም እተለኽፉ ሰባት ሞት የጋጥሞም።\nብጫ ረስኒ፡ ኣብ ነፍስወከፍ ዓመት፡ ን200,000 ሰባት ይለክፍ፣ ኣብ 30,000 ሰባት ድማ ሞት የስዕብ፣ ከባቢ 90% እቲ ሕማም ኣብ ኣፍሪቃ የጋጥም። እቲ ሕማም ግኑን ኣብ ዝኾነሉ ክፍሊ ዓለም፡ ከባቢ ቢልዮን ሰባት ይቕመጡ። ኣብ ትሮፒካዊ ቦታታት ደቡብ ኣሜሪካ ከምኡውን ኣፍሪቓግኑን ኮይኑ፡ ኣብ እስያግን ብፍጹም የለን። ካብ 1980ታት ጀሚሩ፡ ብዝሒ’ቶም ብጫ ረስኒ ዘጋጥሞም ሰባት እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ። እዚ ድማ ነዚ ሕማም ዚከላኸሉ ውሑዳት ሰባት ስለዘለዉ፣ ኣብ ከተማታት ድማ ብዙሓት ሰባት እናተቐመጡ ይመጹ ስለዘለዉ፣ ሰባት ብቐጻሊ ይጉዓዙ ስለዝኾኑ፡ ከምኡውን ምልዋጥ ክሊማ ከምዝኾነ ይእመን። መበቆል’ዚ ሕማም ኣብ ኣፍሪቓ ኮይኑ፡ ኣብ መበል 17 ክፍለ-ዘመን ድማ ብመገዲ ንግዲ ገላዩ ኣቢሉ ናብ ደቡብ ኣሜሪካ ከምዚመሓላለፍ ኮይኑ። ካብ መበል 17 ክፍለ-ዘመን ጀሚሩ፡ ሓያለ ቀንዲ ምልባዕ’ዚ ሕማም’ዚ፡ ኣብ ኣሜሪካ፡ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን የጋጥም ኣሎ። ኣብ መበል 18ን መበል 19ን ክፍላ-ዘመናት፡ ብጫ ረስኒ፡ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ሓደገኛታት ተመሓላለፍቲ ሕማማትይርኤ ነይሩ። እዚ ቫይረስ ብጫ ረስኒ፡ እቲ ፈለማ እተረኽበ ቫይረስ ደቂ-ሰብ እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4129"} {"headline":"ፈረንሳ","content":"ፈረንሳ\n\nፈረንሳ (፣ )፣ ብወግዒ ፈረንሳዊት ሪፓብሊክ ()፣ ዓይነት መንግስቲ ፍርቂ ፕረዚደንታዊት ሪፓብሊክ እያ፣ ኣባል ኤውሮጳዊ ሕብረት፣ ስግረ ኣህጉራዊት ሃገር እያ። ርእሰ ከተማኣ ፓሪስ እያ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4132"} {"headline":"በርሊን","content":"በርሊን\n\nበርሊን (Berlin) ርእሰ ከተማ ናይ ጀርመን እያ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4140"} {"headline":"ክታበታት ጽግዕ","content":"ክታበታት ጽግዕ\n\nክታበታት ጽግዕ፡ ንጽግዕ ብውሑስ መገዲ ይከላኸል። ንመብዛሕቱ ክፋል ህዝቢ ምስዝውሃብ፡ ብደረጃ ሃገር ንዚመጽእ ሓልክታት ከምዚጐድል ይገብሮ። 90% ካብ መላእ ህዝቢ ምስዝኽተብ፡ እቲ ውጽኢታውነቱ ብግምት 85% ይኸውን። ንነዊሕ-ግዜ ዚጸንሕ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ንኽህሉ፡ ክልተ ዓቐን ክታበት ክውሰድ የድሊ። እቶም ዕድሚኦም ኣብ መንጐ 12 ክሳዕ 18 ኣዋርሕ ዝኾኑ ቆልዑ፡ እቲ ናይ ፈለማ ደረጃ ዓቐን መድሃኒት ክወስዱ ምሕጽንታ ይቐርብ። እቲ ካልኣይ ደረጃ ዓቐን መድሃኒት ድማ ከም ልሙድ ነቶም ዕድሚኦም ካብ ክልተ ዓመታት ክሳዕ ሽዱሽተ ዓመታት ዝገበሩ ቆልዑ ዚውሃብ እዩ። እቶም ድሮ ዓቕሚ ምክልኻል ዘይብሎም እሞ ኸኣ በቲ ሕማም እተጠቕዑ ሰባት ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።\n\nSection::::ድሕነት.\nክታበት ጽግዕ፡ ኣዝዩ ውሑስ ኮይኑ፡ እቲ ዘጋጥም ጐድናዊ ሳዕቤናት ድማ ብሓፈሻ ፈኲስ እዩ። ኣብ ከባቢ’ቲ ውጋእ መርፍእ ፈኲስ ቃንዛን ሕበጥን ከምኡውን ፈኲስ ረስኒ ከስዕብ ይኽእል እዩ። ሳሕቲ ድማ ካልእ ገዚፍ ጐድናዊ ሳዕቤናት የጋጥም እዩ። እዚ ክታበት፡ ከም ጉድናዊ ሳዕቤናት ስነ-መትኒ ምስ ዝኣመሰለ ሓልክታት ምትእስሳር ከምዘለዎ ዚሕብር መርትዖ እኹል ኣይኮነን። እዚ ክታበት፡ ነተን ጥኑሳትዝኾና ኣንስቲ ወይ ከቢድ ምዕጋት ዓቕሚ ምክልኻል ንዘለዎም ሰባት ክውሃብ ኣይግባእን። ጠኒሰን ከለዋ ኣብ እተኸትባ እሞ ኸኣ ቆልዑ ዝወላዳ ኣዴታት ሕማቕ ውጽኢታት ኣምጺኡ እኳ እንተኾነ፡ እተሰነደ ነገር ግን የለን። እቲ ክታበት፡ ኣብ ዋሃዮታት ደርሆ ዚማዕበለ እኳ እንተኾነ፡ ነቶም ብእንቛቑሖ ዚመጽእ ቁጥዐ ኣካላት ዘለዎም ሰባት ኪውሃብ ግን ቅቡል እዩ።\n\nSection::::ኣጠቓቕማ.\nመብዛሕቱ ምዕቡል ዓለም ከምኡውን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ብዙሓት ሃገራት፡ ብዙሕ ግዜ ንንፍዮ ከምኡውን ብMMR ዚፍለጥ ክታበት ሩበላ ብምውህሃድ ኣብ ዘለወን ፕሮግራማት ክታበታት የእትውኦ እየን። ኣቐዲሙ እተሓበረ ሰለስተ ክታበታት ከምኡውን ብMMRV ዚፍለጥ ክታበት ፍሮማይብምውህሃድ ይውሃብ እዩ። ኣብ ዓመት 2005፡ 110 ሃገራት፡ ብኸምዚ ኣገባብ ነዚ ክታበት ሂበን። ክታበት ኣብ ዝውሃበሉ ሰፊሕ ከባቢታት ድማ እቲ መጠን ሕማም ብልዕሊ 90% ከምዚጐድል ኮይኑ። ዳርጋ ፍርቂ ብልዮን ሓደ ዝዓይነቱ ዓቐን ክታበት ድማ ክሳዕ ሕጂ ተዋሂቡ ኣሎ። \n\nSection::::ታሪኽ፡ ሕብረተሰብን ባህልን.\nክታበት ጽግዕ፡ ፈለማ ኣብ 1948 ሕጋዊ ፍቓድ ዝረኸበ እኳ እንተኾነ፡ ንሓጺር ግዜ ዚጸንሕ ውጽኢት ጥራይ ነይርዎ። እተመሓየሸ ክታበታት ድማ ኣብ 1960ታት ኣብ ዕዳጋ ኪቐርብ ጀሚሩ። እቲ ናይ ፈለማ ክታበት፡ ዘቛረጸ እንተኾነ፡ ጐኒ ጐኑ እተዳለወ መድሃኒት ግን ንቫይረስ ዘዳኽም ኮይኑ ተዳልዩ። ኣብ ዝርዝር ኣገደስቲ መድሃኒታት ውድብ ጥዕና ዓለም ኣትዩ ኣሎ፣ ኣብ መሰረታዊ ስርዓተ-ጥዕና ድማ ኣዝዩ ዘገድስ መድሃኒት እዩ። ክሳዕ 2007 ድማ ኣብ ኣገልግሎት ዝውዓለ ብዙሕ እተፈላለየ ዓይነታት መድሃኒት ነይሩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4146"} {"headline":"ክታበት ንፍዮ","content":"ክታበት ንፍዮ\n\nክታበት ንፍዮ ፡ ንንፍዮ ዚከላኸል ኣዝዩ ውጽኢታዊ ክታበት እዩ። 85% ካብ ትሽዓተ ወርሒ ዝገበሩ ቆልዑ፡ ከምኡውን 95% ካብቶም ልዕሊ ዓሰርተ ክልተ ኣዋርሕ ዝገበሩ ቆልዑ፡ ሓንቲ ክታበት ምስወሰዱ ነቲ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ይህልዎም።፡ ዳርጋ ኩሎም እቶም ብሓንቲ ክታበት ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ዘየማዕበሉ ቆልዑ ድማ ካልኤይቲ ክታበት ምስወሰዱ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ የማዕብሉ፡፡ እቲ ኣብ ህዝቢ ዝውሃብ መጠን ክታበታት፡ ልዕሊ 93% ምስዝኸውን፡ ለበዳታት ንፍዮ ከም ልሙድ ደጊሙ ዘየጋጥም እኳ እንተኾነ፡ መጠን ክታበታት ኪጐድል ኣብ ዝጀመረሉ ግን ደጊሙ ከጋጥም ይኽእል እዩ። ውጽኢታውነት ክታበት፡ ንብዙሕ ዓመታት ዚቕጽል እዩ። ውጽኢታውነቱ ምስ ግዜ እናጐደለ ዝኸደሉ ምኽንያት ንጹር ኣይኮነን። እቲ ሕማም ካብ ዘጋጠመሉ ግዜ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት እቲ ክታበት ምስዝውሃብ፡ ካብዚ ሕማም ኽከላኸል ይኽእል እዩ።\n\nSection::::ድሕነት.\nእዚ ክታበት፡ ነቶም ረኽሲ ኤች.ኣይ.ቪ ዘለዎም ሰባት ከይተረፈ ብሓፈሻ ውሑስ እዩ። ጐድናዊ ሳዕቤናት፡ መብዛሕቱ ግዜ ፈኲስን ንሓጺር ግዜ ዚጸንሕን እዩ። እዚ ድማ መርፍእ ኣብ ዝወግኦ ቦታ ቃንዛ ወይ ፈኩስ ረስኒ ከጠቓልል ይኽእል እዩ። ኣመና ተኣፋፍነት መድሃኒት፡ ኣብ ሓደ ካብቶም ሚእቲ ሽሕ ሰባት ከምዘጋጥም ተሰኒዱ ኣሎ። መጠን ምልክታት ሕማም ጉልያን ባረ (Guillian-Barre)፡ ኣውቲዝም ከምኡውን ሕማም ቁጥዐ መዓናጡ ኣይውስኽን ኣሎ።\n\nSection::::ምውህሃድ መድሃኒት.\nእዚ ክታበት፡ ንበይኑ ጥራይ ወይ’ውን ንክታበት ሩበላ፡ ክታበት ጽግዕ ከምኡውን ክታበት ፍሮማይ (ብክታበት MMR ከምኡውን ክታበት MMRV ዚፍለጥ) ምስ ካልእ ክታበታት ብምውህሃድ ይውሃብ እዩ። እዚ ክታበት፡ ኣብ ኩሉ ዝውሃሃድ መድሃኒታት ብማዕረ ጽቡቕ ይሰርሕ እዩ። ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እቲ ሕማም ግኑን ኣብ ዝኾነሉ ከባቢታት ዓለም ንዘለዉ ዕድሚኦም ትሽዓተ ኣዋርሕ ዝኾኑ ቆልዑ ንኽውሃብ ምሕጽንታ የቕርብ። እቲ ሕማም ኣዝዩ ግኑን ኣብ ዘይኮነሉ ከባቢታት፡ ዕድሚኦም ዓሰርተ-ክልተ ኣዋርሕ ንዝኾኑ ቆልዑ ኪውሃብ ድማ ቅቡል እዩ። እዚ፡ እቲ ዚውሃብ ዘሎ ክታበት እዩ። ብትሕቲ ቆርበት ወይ ኣብ ጭዋዳ ቅድሚ ምውሃቡ፡ ተወሃሂዱ ኪቐርብ ዘድልዮ ብመልክዕ ንቑጽ ሓሪጭ ይመጽእ። መረጋገጺ ውጽኢታውነት’ቲ ክታበት፡ ብመርመራታት ደም ኪውሰን ይኽእል እዩ።\n\nSection::::ታሪኽ፡ ሕብረተሰብን ባህልን.\nኣብ 2013፡ ከባቢ 85% ኣብ ዓለም ዝርከቡ ቆልዑ፡ እዚ ክታበት’ዚ ረኺቦም። ኣብ 2008፡ እንተወሓዳ 192 ሃገራት ክልተ ዝዓቐኑ መድሃኒት ሂበን። ፈለማ ኣብ 1963 ድማ ከምዝተኣታቶ ኮይኑ። ንንፍዮ-ጽግዕ-ሩበላ (MMR)ዜጠቓልል ክታበት፡ ፈለማ ኣብ 1971 ኪውሃብ ጀሚሩ። ክታበት ፍሮማይ፡ ንክታበት MMRV ብምሃብ ኣብ 2005 ከምዚውሰኽ ኮይኑ። ኣብ ዝርዝር ኣገደስቲ መድሃኒታት ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝኣቱ ኮይኑ፣ ንመሰረታዊ ስርዓተ-ጥዕና ድማ ኣዝዩ ኣገዳሲ መድሃኒት እዩ። እዚ ክታበት፡ ብዋጋ ኣዝዩ ክቡር ኣይኮነን።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4147"} {"headline":"ክታበታት ሸሮኽ","content":"ክታበታት ሸሮኽ\n\nክታበታት ሸሮኽ፡ ሸሮኽ ንምክልኻል ውጺኢታዊ ዚኾነ ክታበታት እዩ። ኣብ ፈለማ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ከባቢ 85%፡ ኣብ ፈለማ ዓመት ድማ 50-60% ውጽኢታዊ እዩ። ድሕሪ ክልተ ዓመታት ድማ እቲ ውጽኢታውነቱ ናብ ትሕቲ 50% ይወርድ። እቲ ቀንዲ ክፋል ህዝቢ ምስዝኽተብ፡ እቲ ዓቕሚ ምክልኻል ናይቲ እተኸትበ ህዝቢ ነቶም ዘይተኸትቡ ሰባት ረብሓታት ከምጽእ ይኽእል እዩ። ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ነቶም ኣብ ልዑል ሓደጋ ዝርከቡ ሰባት ምስ ካልእ ስጉምታት ብምውህሃድ ኣብ ጥቕሚ ንኽውዕል ምሕጽንታ የቕርብ። እቲ ብኣፍ ዚውሰድ ክልተ ዓቐን መድሃኒት ወይ ሰለስተ ዓቐን መድሃኒት ንኽውሃብ ብልሙድ ለበዋ ይቐርብ። እቲ ብመርፍእ ዚውሰድ መድሃኒት፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ዓለም ዚውሃብ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ቐረብ ግን ውሑድ እዩ።\nSection::::ድሕነት.\nእቲ ብኣፍ ዚውሃብ ክልተ ዓይነታት ክታበት፡ ብሓፈሻ ውሑስ እዩ። ፈኲስ ቃንዛ ከብዲ ወይ ውጽኣት ከጋጥም ይኽእል እዩ። ኣብ ግዜ ጥንሲ ከምኡውን ድኹም ዓቕሚ ምክልኻል ንዘለዎም ሰባት ድማ ውሑስ እዩ። ኣብ ልዕሊ 60 ሃገራት ኣብ ኣገልግሎት ንኺውዕል ሕጋዊ ፍቓድ ረኺቡ ኣሎ። እቲ ሕማም ግኑን ኣብ ዝኾነለን ሃገራት ድማ ብዋጋ ሕሱርን ዜዋጽእን እዩ።\nSection::::ሕብረተሰብን ባህልን.\nኣንጻር ሸሮኽ ዚውሃብ ናይ ፈለማ ክታበታት፡ ኣብ መወዳእታ 1800ታት ዚማዕበለ እዩ። ንፈለማ ግዜ ኣብ ሰፊሕ ቦታታት ኣብ ጥቕሚ ዚውዓለ ኣብ ቤተ-ሙከራ እተመስርሐ ክታበት እዩ። እቲ ብኣፍ ዚውሰድ ክታበታት፡ ኣብ 1990ታት ንፈለማ ግዜ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ። ኣብ ዝርዝር ኣገደስቲ መድሃኒታት ውዱብ ጥዕና ዓለም ተዘርዚሩ ኣሎ፣ ኣብ መባእታዊ ስርዓተ-ጥዕና ድማ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዚኾነ መድሃኒት እዩ። ኣንጻር ሸሮኽ ክታበት ንምውሳድ ዚወጽእ ወጻኢ-ገንዘብ፡ ካብ 0.1 ክሳዕ 4.0 ዶላር ኣሜሪካ እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4148"} {"headline":"ግሪክኛ ፊደል","content":"ግሪክኛ ፊደል\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4152"} {"headline":"ራሽኛ ፊደል","content":"ራሽኛ ፊደል\n\nራሽኛ ፊደል\n\nА Б В Г Д Е Ё Ж З И Й К Л М Н О П Р С Т У Ф Х Ц Ч Ш Щ Ъ Ы Ь Э Ю Я\nа б в г д е ё ж з и й к л м н о п р с т у ф х ц ч ш щ ъ ы ь э ю я\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4153"} {"headline":"ኢጣልያ","content":"ኢጣልያ\n\nኢጣልያ (፣ ) ብወግዒ ኢጣልያዊት ሪፓብሊክ ()፣ ኣባልን መስራቲትን ኤውሮጳዊ ሕብረት፣ ስግረ-ኣህጉር ልኡላዊት ሃገር እያ። ርእሰ ከተማኣ ሮማ እያ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4154"} {"headline":"ዓረብኛ ፊደል","content":"ዓረብኛ ፊደል\n\nዓረብኛ ፊደል\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4158"} {"headline":"ሳንድቪከን","content":"ሳንድቪከን\n\nሳንድቪከን ሓንቲ ንእሽተይ  ከተማያ። ኣብ ዞባ ያቭለ ቦሪ ትመሓደር። ርእሳ ዝከኣለት ምምሕዳር ድማ ኣለዋ። ሳንድቪከን ብ 1862  ተምስሪታ። ሰለስተ ዓበይቲ ትካላት ናይ ሓጻዊን ከም ዒይነት ብረት ነይርዎም፣ክልተ ሽሕ (2000)ሰራሕተኛ ድማ ነይርዎም። መጓዓዝያ ድማ፣ ኣውቶቡስን፣ባቡርን ጽርግያ ናብ ያቭለ ፋሉን ኦክልቦ ወዘተ ዘኣመሰላ ከተማታት ይከዳ።\n\nዓበይቲ ትካላት ድማ ከም በዓል ኦጋ ጋዝ ፣እንዳ ሓጺን፣ \n\nከምኡውን ዓበይቲ ዱካናት ከም በዓል ዊልስ፣ሊድል፣ኢካ፣ሮስታ፣ዶላር፣ኩብ ዝኣመሰሉ ዱካናት ኣለው።\n\nብዛዕባ ትምህርቲ ድማ መዋአል ህጻናት ፣መባአታ ፣ማአከላይ ቤትምህርቲ፣ ካልኣይ ደረጃ ከመኡ ውን ከም ክልኣይ ቋንቋ ሽወደን ናይ ስደተኛታት ቤት ትምህርቲ ኣሎዋ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4326"} {"headline":"ብባክተርያ ዚመጽእ ሕማም ርሕሚ","content":"ብባክተርያ ዚመጽእ ሕማም ርሕሚ\n\nSection::::Definition and symptoms.\nብባክተርያ ዚመጽእ ሕማም ርሕሚ (BV)፡ ብቫጂናል ባክተርዮሲስ ወይ ጋርድነረላ ቫጂኒቲስ ዚፍለጥ ኮይኑ፡ ብሰንኪ ልዕሊ ዓቐን ባክተርያ ዚስዕብ ሕማም ርሕሚ እዩ። ፍሉጣት ምልክታት፡ መብዛሕቱ ግዜ ከም ዓሳ ሽታ ዘለዎ ልዑል ርሕማዊ ፈሳሲ ዜካተተ እዩ። እቲ ፈሳሲ፡ መብዛሕቱ ግዜ ጻዕዳ ወይ ሓሙዂሽታዊ ሕብሪ ኣለዎ። ኣብ ግዜ ሽንቲ ዘጋጥም ቃጸሎ ድማ ክህሉ ይኽእል እዩ። ስሓ ግን ፍሉጥ ኣይኮነን። ሳሕቲ ድማ ዝኾነ ምልክታት ከይርኤ ይኽእል እዩ። ብባክተርያ ዚመጽእ ሕማም ርሕሚ ምህላው፡ ንኤችኣይቪ\/ኤይድስ ዜካትት ካልእ ሓያሎ ብጾታዊ ርክብ ዚመሓላለፍ ረኽስታት ንኸጋጥም ንዘሎ ተኽእሎ የዕብዮ። ኣብ ጥኑሳት ደቀኣንስትዮ ድማ ንሓደጋ ቅድሚ ግዚኡ ሕርሲ ንኸጋጥም ንዘሎ ተኽእሎ የዕብዮ።\n\nSection::::Cause and diagnosis.\nብባክተርያ ዚመጽእ ሕማም ርሕሚ፡ ብሰንኪ ዘይምዕሩይ ቁጽሪ ናይ’ቶም ኣብ ርሕሚ ክህልዎ ዘለዎም ባክተርያታት ዜጋጥም እዩ። ኣብቲ ክህሉ ዘለዎ ፍሉጥ ዓይነት ባክተርያ ለውጢ የጋጥም፣ ክህሉ ዘለዎ ጠቕላላ ብዝሒ ባክተርያ ካብ ኣማኢት ክሳብ ኣሽሓት ዕጽፍታት ከምዝውስኽ ይኸውን። ጠንቅታት’ዚ ሓደጋ’ዚ፡ ሕክምናዊ ምጽርራይ ውሽጣዊ ኣካላት፡ ሓደስቲ ወይ ብዙሓት መጻምድቲ ጾታዊ ርክብ ምህላው፡ ጸረ-ነፍሳት፡ ኣብ ማህጸን ዚኣቱ መከላኸሊ ጥንሲ ምጥቃም፡ ካብቲ ብዙሕ የጠቓልል። ብሰንኪ ጾታዊ ርክብ ዚመሓላለፍ ረኽሲ’ዩ ክብሃል ግን ኣይከኣልን እዩ። ነጸርታ፡ ኣብቲ እተራእየ ምልክታት ዚህሉ ጥርጠራ ኾይኑ፡ ንርሕማዊ ፈሳሲ ብምምርማር፡ ካብቲ ንቡር ንላዕሊ ርሕማዊ ፒኤች (መጠን ኣሲድ) ከምኡውን ብዙሕ ቁጽሪ ባክተርያ እንተተረኺቡ፡ እቲ ሕማም ከምዘሎ ኪረጋገጽ ይኽእል እዩ። ብባክተርያ ዚመጽእ ሕማም ርሕሚ፡ መብዛሕቱ ግዜ ምስ ርሕማዊ ረኽሲ ወይ ብትርኮሞናድ ዚስዕብ ረኽሲ የደናግር እዩ።\n\nSection::::Prevention and treatment.\nሕክምና፡ መብዛሕቱ ግዜ ብመልክዕ ጸረ-ነፍሳት፡ ክሊንዳማይሲን ወይ መትሮኒዳዞል ይውሃብ። እዚ መድሃኒታት፡ ኣብ ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ክፍለ-ግዜ ጥንሲ ክውሃብ ድማ ይከኣል እዩ። እንተኾነ ግን፡ እዚ ኲነታት’ዚ፡ ሕክምና ድሕሪ ምውሳድ መብዛሕቱ ግዜ ዳግማይ የጋጥም እዩ። ፕሮብዮቲክ፡ ዳግማይ ንኸየጋጥም ኽከላኸል ይኽእል እዩ። ፕሮብዮሪክ ወይ ጸረ-ነፍሳት ምጥቃም፡ ንውጽኢት ጥንሲ ይጸሉ ምዃኑ እተረጋገጸ ነገር የለን።\n\nSection::::Epidemiology and history.\nብባክተርያ ዚመጽእ ሕማም ርሕሚ፡ ኣብ ዕድመ ፍርያምነት ኣብ ዝርከባ ደቀኣንስትዮ ዜጋጥም ኣዝዩ ፍሉጥ ርሕማዊ ረኽሲ እዩ። እተን ኣብ ዝኾነ ግዜ በቲ ሕማም ናይ ዝልከፋ ሚእታዊት ደቀኣንስትዮ፡ ካብ 5% ክሳዕ 70% ይፈላለ እዩ። ብባክተርያ ዚመጽእ ሕማም ርሕሚ፡ ኣብ ክፋላት ኣፍሪቓ ኣዝዩ ግኑን ኪኸውን ከሎ፡ ኣብ እስያን ኤውሮጳን ድማ ብውሑድ መጠን ይርኤ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ድማ ካብ 14 ክሳዕ 49 ዓመት ኣብ ዝዕድሚኤን ደቀኣንስትዮ ን30% የጥቅዕ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ሃገር ኣብ ዝርከቡ ኢትኒካዊ ጉጅለታት ብዓቢ መጠን ይፈላለ እዩ። ከም ምልክታት ናይቲ ብባክተርያ ዚመጽእ ሕማም ርሕሚ፡ ኣብ ታሪኽ ብዙሕ ከምእተመዝገበ ዚገልጽ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ብግልጺ እተሰነደ ናይ ፈለማ ሕማም ግን ኣብ 1894 ዘጋጠመ እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4329"} {"headline":"ቱርኪ","content":"ቱርኪ\n\nቱርኪ (ብቱርክኛ፦ \"Türkiye\") ወግዓዊ ሪፓብሊክ ቱርኪ (ብቱርክኛ፦ \"Türkiye Cumhuriyeti\")፣ ኣብ ምዕራባዊ ኤስያን ደቡብ-ምብራቕ ኤውሮጳን ተዘርጊሓ እትርከብ ሃገር እያ። ርእሰ ከተማኣ ኣንካራ እያ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4345"} {"headline":"አመራርሓ ፕረዝደንታዊ","content":"አመራርሓ ፕረዝደንታዊ\n\nzeytefelte kulu bmstirawnet hizwo nana adeda sdet gerna amararhue kulu baelu","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4348"} {"headline":"ስኑይ","content":"ስኑይ\n\nስኑይ እያ ሓንቲ መዓለቲ ኣብ ስኑይ","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4365"} {"headline":"ሰሉሰ","content":"ሰሉሰ\n\nሰሉሰ ሓንቲ መዓቲ አቡ ሰሙኑ ኢያ","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4367"} {"headline":"ራሰል ዶሚኒክ ፒተርስ","content":"ራሰል ዶሚኒክ ፒተርስ\n\nምሉእ ስሙ \n። ብ29 መስከረም\n1970 ካብ ኣቦኡ ኤሪክ ፒተርስን\nኣዲኡ ኣውሪን ፒተርስን ኣብ \n- ካናዳ ተወሊዱ። ኣብ ትምህርቱ\nብሰንኪ ህንዳዊ መበቆሉ ኵሉ ግዜ\nይጽረፍ ዝነበረ ራስል፡ መከላኸሊ\nክዀኖ ብምባል ቦክሲንግ ከም\nዝተማህረ እዩ ዝሕብር። ራሰል፡ ኣብ\n1990ታት ፍሉጥ ዲጄይ ናይ ቶሮንቶ\nከም ዝነበረ’ውን ይፍለጥ።\nእዚ ሕጂ ስሙ ሰማይ ኣዕሪጉዎ\nዘሎ ሞያ ኮሜዲ፡ ኣብ 1989 ኣብ\nቶሮንቶ እዩ ጀሚርዎ። ኣብ 1992\nነቲ መምህረይ ኢሉ ዝሰምዮ ጆርጅ\nካርሊን ረኸቦ’ሞ፡ ነታ “ኣብ ዝኾነ ግዜን\nቦታን ኣብ መድረኽ ደይብ፡” እትብል\nምኽሩ ኣብ ልቡ ሓዛ። ኣብ ዝገበሮም\nቃለ-መሕትታት እውን ምኽሪ ናይ\nካርሊን ብዙሕ ከም ዝሓገዘቶ እዩ\nዝዛረብ።\nራሰል፡ ኣብ 2004 ኣብ ቴለቪዥን\nካናዳ ዘቕረባ ምርኢት ኣብ መርበብ\nሓበሬታ ‘ዩትዩብ’ ምስ ተዘርግሐት\nብዝያዳ ተፈላጥነት ከጥሪ ከኣለ።\nቀጺሉ ኣብ 2007 ኣብ ካናዳ ኣብ\nዝገበሮ ምርኢት ልዕሊ 30 ሽሕ ትኬት\nተሸጠ’ሞ፡ ብብዝሒ መሽጣ ትኬት ኣብ\nመላእ ካናዳ ዓቢ ስም ክሕዝ ከኣለ።\nቀጺሉ’ውን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ\nምርኢት ዘካየደ ራሰል፡ ዝለዓለ ቁጽሪ\nተዓዘብቲ ክረክብ ብምኽኣሉ ኣብታ\nሃገር ክብረ-ወሰን ክሰብር ከኣለ። ኣብ\nኣውስትራልያ ዘቕረቦ ምርኢት’ውን\nዝለዓለ ቁጽሪ ተዓዘብቲ ስለ ዝረኸበሉ፡\nዓቢ ስም ኣትረፈ።\nብመሰረት መጽሔት ‘ፎርክስ’፡ ካብ\nሰነ 2009 ክሳብ ሰነ 2010 ኣስታት 15\nሚልዮን ዶላር ዘእተወ ራሰል፡ ምስ’ቶም\nኣብ ዓለም ዘለዉ ኮሜድያውያን\nክወዳደር እንከሎ ካብቶም ዝለዓለ\nኣታዊ ዝግሕጡ እዩ። ብዘይካ’ዚ፡\nኣብ 2008 ልዕሊ 5 ሚልዮን ዶላር\nብምእታዉ፡ ዝለዓለ ኣታዊ ዝረኸበ\nኮሜድያን ተባሂሉ ብፍሉይ ተጠቒሱ\nእዩ። ናይ ዝተፈላለዩ ኣህዛብ ኣዘራርባን\nኣደማምጻ ቃላትን ዝኽእል ራሰል፡\nዝበዝሐ ስርሓቱ ኣብ ዓሌት፡ ብሄርን\nባህላዊ ልምድታትን ዘተኰረ እዩ። ናብ\nጸርፊ ዘድሃበ ኮመድያዊ ስርሓት ስለ\nዘቕርብ፡ ንብዙሓት ሰባት የቘጥዕ እዩ።\nራሰል፡ ብ10 ሰነ 2010 ሞኒካ ዲያዝ\nንዝተባህለት ጎርዞ ኣብ ኣህጉራዊ\nመዓርፎ ነፈርቲ ሎስ ኣንጀለስ ናይ\nመርዓ ሕቶ ኣቕረበላ። ድሕር’ዚ\nኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ስነ-\nስርዓት መርዓ ፈጸሙ። ኣብ ታሕሳስ\n2010 ድማ ክሪስትያን ሜሪ ፒተርስ\nዝተባህለት ጓል ተቦኮረ። ኣብ 2006\n‘out sourced’፡ ኣብ 2008 ‘red\nwhite and brown’፡ ኣብ 2011 ድማ\n‘the green cord tour’፡ ከምኡ’ውን\nኣብ 2013 ‘notorious’፡ ኣብ 2016\n‘almost famous’ ዝተሰምያ ኣዝየን\nፍሉጣት ስርሓት ራሰል እየን።\nናብ ዓዲ-እንግሊዝ፡ ኣመሪካ፡\nኣውስትራልያ፡ ኒውዝላንድ፡ ኣየርላንድ፡\nኣፍጋኒስታን፡ ሽወደን፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ \nህንዲ፡ ፍሊፕንስ፡ ቬትናምን\nካልኦት ሃገራትን ብምኻድ\nኮሜድያዊ ስርሑ ኣብ\nመድረኽ ወጽዩ ዘቕረበ\nራሰል፡ ሕጂ’ውን ናብ\nዝተፈላለያ ሃገራት\nብምኻድ ስራሑ ናብ\nህዝቢ ኣብ ምቕራብ ከም\nዝርከብ ይሕብር።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4466"} {"headline":"አልጀሪያ","content":"አልጀሪያ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4475"} {"headline":"ኣርጀንቲና","content":"ኣርጀንቲና\n\nኣርጀንቲና (፣ )፣ ብወግዒ ሪፓብሊክ ኣርጀንቲና (፣ )፣ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ናይ ደቡብ ኣመሪካ እትርከብ ምስ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ እትዳወብ ሃገር እያ። ርእሰ ከተማኣ ብወኖስ ኣይረስ እያ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4478"} {"headline":"ደቡብ ኮርያ","content":"ደቡብ ኮርያ\n\nደቡብ ኮርያ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4479"} {"headline":"ሮማንያ","content":"ሮማንያ\n\nሮማንያ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4480"} {"headline":"ግሪክ","content":"ግሪክ\n\nግሪክ በአውሮፓ ውስጥ ያለ አገር ነው።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4481"} {"headline":"ኣመሪካ","content":"ኣመሪካ\n\nሕቡራት መንግስታት (ሕ.መ.)፣ (ብእንግሊዝኛ፦ \"United States\") (US)፣ ብውግዒ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (ሕ.መ.ኣ.)፣ (ብእንግሊዝኛ፦ \"United States of America\") (USA)፣ ወይ ብቐሊል ኣመሪካ (\"America\")፣ ብሓምሳ ክፍለ ሃገራትን ፈደራላዊ ወረዳን ኣብ ዝቖመት ቅዋማዊት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ዝተመስረተት ልኡላዊት ሃገር እያ። ብሰሜን ምስ ካናዳ ብደቡብ ድማ ምስ ሜክሲኮ ትዳወብ። ርእሰ ከተማኣ ዋሺንግተን ዲ.ሲ. እያ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4483"} {"headline":"ካናዳ","content":"ካናዳ\n\nስም= ካናዳ|\nምሉእ_ስም = ካናዳr \/>ካናዳ|\nባንዴራ_ስእሊ =\n\nማሕተም_ስእሊ =\nCoat_of_arms_of_canada_rendition.svg|\nመዝሙር= \"O canada\"br>|\nስእሊ_ካርታ = ካናዳ in itsregion.svg|\n\nርእሰ_ከተማ = ኦታዋ\n\nሀገራዊ_ቛንቛ = እንግልዘኛ\n፣ፈርንሰኛ\n\nዓይነት_መንግሥቲ = ባይቶ ንጉሳዊ \nኣገዛዝኣ|መራሒ_መዓርግ =
\n\nጠቅላላይ ምንስተር ትሩዱ\n\nመራሒ_ስም = ጅስተን ትሩድው|\n\nመዓልቲ_ናፅነት = ሰነ ፳፭ መዓልቲ 1859(ሓምለ ፩፣ ፲፰፻፷፯ እ.ኤ.አ)|\n\nታሪኻዊ መዓልቲ = መዓልቲ ናጽነት|\n\nስፍሓት_መሬት = 9,984,670|\n\nስፍሓት_መሬት_ካብ ዓለም = ፪|\n\nብዝሒ_ህዝቢ =35,151,728\n\nብዝሒ_ህዝቢ_ብግምት_ኣብ_ዓመት = 2016 እ.ኤ.አ. |\n\nስም_ገንዘብ = ካናዳ ዶላር|\n\nዞባዊ_ሰዓት = -3.5 ክሳብ -8|\n\nመእተዊ_ስልኪ = +1|\n\nካናዳ አብ ሰሜን ኣመሪካ ትርከብ ሀገር'ያ ኰይና። ጎረቤት ዩናይትድ ስቴት ኣሜሪካን ግሪንላንድ እያ። 13 ክፍለ ሃገራት ኣለዋ። ርእሰ ከተማ ኦታዋ ትብሃል ኰይና ካናዳ ብስፍሓት ካብ ዓለም ካልአይቲ እያ። ድሕሪ ሩስያ ቀጺላ ማለት'ዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4484"} {"headline":"ሞንጎልያ","content":"ሞንጎልያ\n\nሞንጎልያ\n\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4485"} {"headline":"ሞልዶቫ","content":"ሞልዶቫ\n\nሞልዶቫ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4486"} {"headline":"ብራዚል","content":"ብራዚል\n\nብራዚል ()፣ ወግዓዊ ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ብራዚል ()፣ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ትርከብ ዓባይ ሃገር እያ። ርእሰ ከተማኣ ብራዚልያ እያ። ፖርቱጊዝኛ ዝተባህለ ቋንቋ ድማ ይዛረቡ። ኣብ ብራዚል፣ ካርኒቫል ዝበሃል ሃገራዊ ፌስታ የብዕሉ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4498"} {"headline":"ዩጋንዳ","content":"ዩጋንዳ\n\nኡጋንዳ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4500"} {"headline":"ኣይቮሪ ኮስት","content":"ኣይቮሪ ኮስት\n\nአይቮሪ ኮስት\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4501"} {"headline":"ቡርኪና ፋሶ","content":"ቡርኪና ፋሶ\n\nቡርክና ፋሶ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4502"} {"headline":"ኣልባኒያ","content":"ኣልባኒያ\n\nአልባኒያ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4503"} {"headline":"ባንግላደሽ","content":"ባንግላደሽ\n\nባንግላዴሽ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4506"} {"headline":"ታይዋን","content":"ታይዋን\n\nታይዋን − ቻይና ሪፐብሊክ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4507"} {"headline":"ኢራን","content":"ኢራን\n\nኢራን (ፋርስኛ: \"ایران\") ኣብ ሃገር ኢያ ኣብ ምዕራብ ኤስያ ዝርከብ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4509"} {"headline":"ጋምቢያ","content":"ጋምቢያ\n\nጋምቢያ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4511"} {"headline":"ፓኪስታን","content":"ፓኪስታን\n\nፓኪስታን\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4512"} {"headline":"ሰንዓፈ","content":"ሰንዓፈ\n\nSection::::ሰንዓፈ.\nሰንዓፈ \"( senafe በልው-ከልው)\" ሓንቲ ካብ ከተማታት ኤርትራ ኮይና፡ ኣብ ወሰን ከበሳታት ካብ ርእሰ ከተማ ኣስመራ ንደቡባዊ ኣንፈት 136 ኪ.ሜ ተደኲና ትርከብ። ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ሓደ ካብቶም ዓሰርተው ክልተ ምምሕዳራዊ ወረዳታት ዞባ ደቡብ ኮይኑ ብሰሜን ምስ ዓዲ-ቀይሕ፡ ብምዕራብ ምስ ጸሮና፡ ብምብራቕ ምስ ሰሜናዊ ቀይሕ-ባሕሪ፡ ብደቡብ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ትዳወብ። ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ኣስታት ክልተ ሚኢቲ ( ወረዳ ሰንዓፈ ክልተ ሚኢቲ ዓድታት) ገጠራት ተመሓድርን እንክትከውን ኣብ ውሽጣ ድማ ትሽዓተ ከባብያዊ ምምሕዳራት ሓቛፋ ኣላ። እዛ ከተማ ኣብ 118 ዓዳዊ ምምሕዳራዊ ከባቢታት ኣስታት ሚኢቲ (100 ሽሕ) ሽሕ ሰባት ዝነብሩላ ይቕመጥዋ።\nኣብ ምምሕዳር ሰንዓፈ ዝርከብ ዝነውሐ እምባ ሶይራ እዩ። ካልኦት ንሰንዓፈ ዝኸበቡ ነዋሕቲ ኣኽራናት ከም እምባ መጠራ ፡ እምባ ሳይም ፡ እምባ ታሪኻ ኣለዉ እዮም። ከረን እምባ ደርሆ፡ ፋርክላ፡ ዓይኒ ሰንዓፈ ካላኦትን ኣብ ዙርያ ሰንዓፈ ኮይኖም ንምስላ ዘወቕቡ ተፈጥራዊ ቅርጽታት እዮም። ከተማ ሰንዓፈ ኣብ መንጎ ጎቦታትን እምባታትን እተዶኮነት ኣዝያ ምጭውቲ ንእሽቶን ከተማ እያ። ብምኽንያት ብራኸ ዝሕል ዝበለ ኩነታት ኣየር ዘለዋ፡ ብዙሓት ዓድታት ኣብ ዙርያ ዝሓዘት ዝሓቖፈት እያ። እምባ ክብሃል ስማ ዝጥቀስ ተበሃጊት ከተማ እውን እያ። ኣብ ዓይኒ ሰንዓፈ ኴንካ እንክትጥምት፡ እታ ከተማ ብቤተክርስትያናትን መሳጊድን ወቒባ ትረኣይ። እምባ መጠራን ታሪኻን ተወሳኺ ጽባቐ ዝፈጥሩላ ባህሪያዊ ትዕድልታ እዩም።\n\nኣብ ሰንዓፈን ከባቢኡ ብብዝሒ ብህዝቢ ትግርኛን ክኸውን እንከሎ ገለ ውሑዳት ህዝቢ ሳሆን እውን ዝነብር ሕብረተሰብ ኣለዉ። መብዛሕቲኡ ብክቡር ባህልን ሃብታም ልምድታትን ዝውንን ህዝቢ ዘለዋ እያ። ብዑናታት መጠራ ፡ በለው ከለው ፡ ቤተክርስትያን እንዳ- ፃድቃን ከምኡ እውን በቲ ኣብቲ ከባቢ ብዘሎ ታሪኻዊ ሓወልቲ ትፍለጥ። ገለ ካብዞም ታሪኻዊ ቦታታት ድማ በለው ከለው ፡ መጠራ ብደቡብ ቖሓይቶ ፡ ብሰሜን ድማ ከስከሰ፡ ታሪኻ እዮም።\nSection::::ኣቀማምጣ.\nንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ኣስታት 1231 ትርብዒት ኪ.ሜ ስፍሓት ኣለዋ ። እቲ ዝበረኸ ጫፍ ኤርትራ ዝኾነ እምባ ሶያራ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ 3013 ሜትሮ ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ተቐሚጡ ኣሎ። እታ ከተማ  ከባቢ ዓሰርተ ሽሕ ጫማ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ተዶኲና ትርከብ።  ዝርጋሐ ማይ ከባቢ 40 0ሚ.ሜ ኣብ ጽቡቕ ክራማት ድማ ከባቢ 900ሚ.ሜ ኣብ ዓመት ኣቢሉ ይረክብ። ኩነታት ኣየር እዚ ከባቢ ንወዲ ሰብ ባህታ ዝፈጥር፡ ንመሬት ብሓምላይ ሳዕሪ ዝሽፍን፡ ዝተፈላለያ ዘቤታዊ እንስሳታት እንተላይ እንስሳታት ገዳም ከም ኢራብ፡ ዓጋዘን፡ መፍለስን ዛግራን ዝፋረያሉን ብዘደንቕ ዝዘላሉን ስለዝኾነ፡ ብዙሓት ተቐማጦ ካልእ ከባቢ መሬቶም ኣብ ከምዚ ዓይነት ሃዋህው ተለዊጡ ብደስታን ፍስሃን ክነብሩ ይሓልሙ ነበሩ።\nእዚ ቦታ እዚ ፡ እተፈላለየ ታሪኻዊ ኣርከናውን ኣርኪዮሎጂካዊን ጂኦግራፍያውን ኣገዳስነት ዘለዎ ቦታታት እዩ ። ብዘይካ’ቲ ኣብ ውሽጢ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝርከቡ ታሪኻዊ ቦታታት ከም መተራ ታሪኻዊ ቦታ፡ ካልኦት ብኣርኪዮሎጂን ታሪኻውን ትርጉም ዘለዎም ቦታታት ከም ቆሃይቶን ተኮንዳዕን ኣለዉ።መጠራ ፡ ብ በለው- ከለው እውን ዝፍለጥ ፡ ካብ ከባቢ 7ይ ቅ.ል.ክ ክሳብ 7ይ ድ.ል.ክ. ሓደ ካብ ጽዑቕ ንግዳዊ ንጥፈታት ዝካየደሉ ዞባ ምዃኑ ይእመን ።\n\nSection::::መነባብሮ.\nነበርቲ ከተማ ሰንዓፈ ብማሕረስን መጓሰን ስለ ዝናበሩ፡ ብዙሕ ዓይነት ኣእካል፡ ከም ማሸላ፡ ስርናይ፡ ስገም፡ ባልዶንጋ፡ ዓተርን ብርስንን የእትውን። ብተወሳኺ ዝተፈላለያ እንስሳታት ዘቤት ከም በዓል ጠለቢጊዕ፡ ከፍቲ፡ ኣፍራስ፡ ኣእዱግ፡ ደርሁ የፋርዩ። ኣብ ፍሉያት ንኣሽቱ ኮማት ተመቓቒሎም ህይወቶም በቶም ዝመረጽዎም ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ብሰላም የካይዱ። ማሕበራዊ ምትእስሳሮም ድማ እቶም ሳሆ ኣብ ቀቢላዊ ኣረዳድኣ ዝተሞርኮሰ ክኸውን እንከሎ፣ እቶም ዝተረፋ ኣውራ ኣብ ከባቢታት ዝነብሩ ድማ ኣብ ብሄራዊ፡ ዓዳዊ፡ እንዳውን ፡ ስድራ-ቤታውን ምትእስሳር ዝተሓጽረ ነበረ።\n\nSection::::ታሪክ.\nመእተዊ፦ ታሪኽ ማለት ዛንታ ሰብ ማለት እዩ። ዛንታ ሰብ ማለት ከኣ ኩሉ’ቲ ሰብ ኣብ ዓለም ካብ ዝቕልቀል ኣትሒዙ ዘሕለፎ ተሞክሮን ዝገበሮ ንጥፈታትን ማለት እዩ። ስለ’ዚ ሰብ ካብ ቅድሚ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዓመታት ዝጅምር ነዊሕ ታሪኽ ኣለዎ። ታሪኽ እምበኣር ሕብረተሰብ ካብ ዝተሓተ ደረጃ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ከመይ ኢሉ ብደፋእታ (ቀስ እንዳበለ) ከም ዝተጓዕዘን ከም ዝማዕበለን ዝምህረና ኣገዳሲ ዓውደ ፍልጠት እዩ። ታሪኽ ብዛዕባ ዝሓለፈ ተሞክሮ ሕብረተሰባት: ዓወታትን ስዕረታትን: ሓይልን ድኻማትን ይምህረና። ካብኡ ምህሮ ረኺብና ህይወትና ብዝሐሸ ንኽንመርሕ ይሕግዘና። ስለዚ ታሪኽ ማዕከን ፍልጠትን ልቦናን እዩ። ታሪኽ ምምሃር ስልጥንቲ ሃገር ኣብ ምህናጽን ራህዋ ዘለዎ መነባብሮ ኣብ ምፍጣርን ይሕግዘና።\n\nSection::::ታሪክ ሰንዓፈ.\nኣመጻጽኣ መበቆላዊ ስም ሰንዓፈ ብዙሕ ንጹር እኳ እንተ ዘይኮነ፡ ብኣፈ ታሪክ ከምዝንገር ግን ካብ ሰንዓ የመን ናብ ደብባዊ ወገን እንዳ ተጓዕዙ ቀንዮም ኣብ ዓቐብ ታሪኻ ኣዕረፉ። ጸልማት ስለዝነበረ ክዕርፉ ኣግማሎም ኣራጊፎም ደቐሱ። ንጽባሒቱ ኣንጊሆም ክነቕሉ ክብሉ ሰፈራታት ዘለዎ ክንዮ ማዕዶጎቦ ተዓዘቡ። ሰንዓፈ ኣብ መንጎ ጎቦታትን እምባታትን እተዶኮነት ልጎም ምስረኣዩ፡ ነትታዝገደፍዋ ሃገር ዘኪሮም ሰንዓፈ ኢሎም ይበሃል። በዚ መሰረት ሰንዓፈ ማለት ሰንዓ ኣብዚ ኣላ ማለት እዩ። ኾይኑ ግን ሰንዓፈ ናይ ጥንቲ ስማ ከምዘይነበረ ብዙሓት ምንጭታት ይሕብሩ እዮም። ሓደ ካብ ናይ ጥንቲ ስማት ሰንዓፈ በለው ከለው ፡ መጠራ ፡ ከስከሰ እዮም። ቅድሚ ሰንዓፈ ምስማያ \"ሓኪር\" ተባሂላ ትጽዋዕ ነይራ እያ። \"ሓኪር\" ዝብል ቃል ካብ \"ሓኾረ\" ዝብል ናይ ትግርኛ \"ትግርይና\" ግሲ ዝነቐለ ኮይኑ ምድያብ ዝብል እውን የስምዕ እዩ። ብ ከባቢ 1454 ኣቢሉ ዝተወስደ ምድራዊ ስእሊ ናይ ሰንዓፈ ኣብ ቀዳሞት መዝገብ ናይ ምድራዊ ስእሊ ኣብ ሃገረ ግብጺ ኖቨሎ ተሰኒዱ ይርከብ ኣሎ።\n\nSection::::ቕድመ ታሪኽ.\n ምድረ-ፑንት 4000 ዓመታት ይገብር እዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ዞባ: ማለት ገማግም ምድረ-ፑንት ይበሃል ነበረ። ግብጻውያን ክነግዱ ብባሕሪ ናብ ምድረ-ፑንት ይመጹ ነበሩ። እቶም ቀንዲ ካብ ምድረ-ፑንት ዝውሰዱ ኣቕሑ ነበሩ። ኣብ መበል 8ይ ዘመን ቅድሚ ሓባራዊ መዋዕል (ቅ.ሓ.መ.) ድማ ሓደ ዳዓማት ዝበሃል ንግስነት ተመስሪቱ ነበረ። ዳዓማት ካብ ኣዱሊስ ጀሚሩ ክሳብ ከባቢ ኣኽሱማውያን ዝዝርጋሕ ዓቢ ንግስነት እዩ ነይሩ። \n\nድሕሪ ውደቀት ዳዓማት ሓበሻ ወይ ኣኽሱማውያን ተባሂሎም ዝፍለጡ ሴማውያን ህዝብታት ንጥንታዊት ከተማ ኣኽሱም ከም መቐመጢ መንግስቶም ጌሮም ሸውዓተ ክፍለ ዘመን ክፍለ ዘመን ዝጸንሐ ኣዝዩ ሓያልንን ገዚፍን ስልጣኔኣዊ ስርወ መንግስቲ ኣብ ናይ ሎሚ ትግራይን ከበሳ ኤርትራን ከምኡ ምዕራባዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ክምስርቱ ከም ዝኸኣሉ ውን ማንርሆይ ይገልጽ፡፡ እዞም ሓበሻ ወይ ኣኽሱማውያን ዝበሃሉ ህዝቢ ካብቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ሳባውያን ዝፈለቑ ድዮም ዋላስ ካልኦት ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ ክምልስ ከሎ፡ ማንሮሆይ “ብጀካ ዝተወሰነ ምምስሳል ሳባውያንን ደኣማታውያንን ብሓበሻ ተዋሒጦም ደኣ ይኾኑ እምበር ንሳቶም ባዕልቶም ነቲ ኣኽሱማዊ ስልጣነ ከምዝቐጸልዎ ዝገልጽ ጽንኩር ሓበሬታ ከም ዘየለ” የቐምጥ፡፡ በቲ በለቲ ኣኽሱማዊ ስልጣነ ካብ ሓያላትን ኣዝዮም ፍሉጣት ጥንታውያን ስልጣነታት ዓለምና ኮይኑ ክወጽእ ናይቲ ዘመን ብሉጽ ካብ ዝበሃሉ ቴክኖሎጂ ስነ ህንጻ፣ መስኖ ሕርሻ፣ ሰርዓተ መንግስቲ፣ ገንዘባዊ ንግዲ፣ ሞጎዓዝያ ባሕሪን ሰብ ዋና ኣግኣዝያን ምኻኖም ብድርሳናት ታሪኽን ኣብ ልዕሊ ምድርን ብዘለው ሓድግታት ከምኡ ውን ብኻዕቲ ዝተረኸቡ ቅርስታት ዝዛረብዎ ሓቂ እዩ፡፡ ዳሕራይ ስርወ መንግስተ ኣኽሱም ሃይማኖት ክርስትና ምስተቐበለ ውን ኣስተምህሮታት ሃይማኖት ክርስትና ሃይማኖት፡ ፍልስፍናን ብበዓል ቁዱስ ያሬድ ዝተምሃዙ ኣምራት ሙዚቃን ግእዛዊ ሰልጣኔታት ከምዝኾኑ ተነጺሩ ዝተቐመጠ እዩ፡፡ \n\nSection::::ከስከሰ.\nከስከሰ፡ ሓንቲ ካብተን ኣገደስቲ ጥንታውያን ቦታታት ኤርትራ እያ። ከስከሰ ኣብ ኣስታት ዓሰርተ ወሓደ ትርብዒት ኪ.ሜ. ስፍሓት ዘለዎ ንሕርሻ ምቹእ ኣብ ዝኾነ ብሰንሰለታዊ ጎቦታት ዝተኸበ ሓውሲ ስንጭሮ ከባቢ ተደኲና ትርከብ። ኣሰራት ናይዛ ጥንታዊት ስፍራ፡ ኣዝዮም ብዙሓት እኳ እንተኾኑ፡ ኣስታት ዓሰርተ ሜትሮ ቁመት ዘለዎ ዝወደቐ ሓወልቲ፡ 5 ዝተሳባበሩ ዓበይቲ ኣዕኑድ-መሰል ጽሩባት ኣእማን፡ ፍርስራስ መናድቕ ናይ ዓበይትን ንኣሽቱን ገዛውቲ፡ መቓብርን፡ ዝተፈላለዩ ዓይነት ስርሓት ካይላ፡ ካብ እምኒ፡ ኣስራዝን ዑንቊን ዝተሰርሑ መሳርሒታትን መጋያየጺ ኣቕሑትን ይርከቡ።\n\nSection::::መጠራ.\nበለው-ከለው ብዝብል ቅጽል እትፍለጥ ታሪኻዊት ቦታ መጠራ፡ ካብ ከተማ ሰንዓፈ ንደቡባዊ ምብራቕ ድማ ሓደ ኪ.ሜ. ርሒቓ እትርከብ ጥንታዊት ቦታ እያ። መጠራ ኣብ 7ይ ክፍለ-ዘመን ቅ.ል.ክ. ዝተመስረተት ጥንታዊት ከተማ ኮይና፡ ካብቲ እዋን’ቲ ኣትሒዛ ክሳብ 7ይ ክፍለ-ዘመን ድ.ል.ክ. ኣብ ዝነበረ ንግዳዊ መስመር ንግስነት ኣኽሱም ቀንዲ ተዋሳኢት ምንባራ ይግለጽ። ስልጣነ መጠራን ከባቢኣን ኣብ ንግድን ሕርሻን ዝተመርኮሰ ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ብፍላይ ምስ ኣዱሊስ፡ ከስከሰን ቆሓይቶን ብዝነበራ ንግዳዊ ርክብ ኣብ እዋና ስልጥንቲ ንኽትከውን ከም ዝሓገዛ ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ይሕብሩ። ኣብቲ ከባቢ እትርከብ 2.8 ሜትሮ ቁመት እትውንን ሓወልቲ እውን ኣገዳሲት መስሕብ ናይቲ ከባቢ እያ። ጥንታዊት ከተማ መጠራ ኣብ 1960ታት ብፈረንሳዊ ተመራማሪ ስነ- ጥንቲ ፍራንሲስ ኣንፍረ ብዝተገበረላ መጽናዕቲ ዝተመስከረላ ታሪኽ መንነትን ጥንታውነትን ወለዶታትና እተጉልሕ ኣገዳሲት ጥንታዊት ቦታ እያ።\n\nSection::::ዘመናዊት ከተማ ሰንዓፈ.\nምስምምጻእ መግዛእቲ ጥልያን ዘተኣታተዎ ምቅይያራት፡ ንማሕበረ ቁጠባዊ ኩነታት ዜጋታት ተባሂሉ ዝመጽአ ዘይኮነ፡ ብኣንጻሩ-መደባት ኣውጺኣካን ዕላማታት ኣነጺርካን፡ ሓፈሻዊ ረብሓታት ኢጣልያ ንምጭባጥ ተባሂሉ ዝመጽአ ምቅይያራት ኢዩ ነይሩ፣ነዚ ከምዚ ዓይነት ረብሓታት ንምርግጋጽ፣ ኢጣልያውያን ንትሕተ ቅርጺ እታ ሃገር ምምዕባል፣ ነቲ ኣብ 1887 ዝተጀመረ ምስራሕ መገዲ ባቡር ኣብ መፈጸምታ ከምዝበጽሕ ምግባር፣ ሓደሽቲ ጽርግያታት ምስራሕን ምምሕያሽን፣ ንኹሉ ዓይነት ጉዳያት ዘገልግላ ፋብሪካታት ምትካል፣ ሓደስቲ ከተማታት ምህናጽን ሰፋሕቲ ርእሰማላዊ ሕርሻዊ ትካላት ምትካልን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ከካይዱ ጀመሩ። \n\nከም ውጽኢቱ ንብዙሓት ከተማታት ሰንዓፈ ሓዊስካ ክሃንጽ ጀሚሩ። \nSection::::ባህላዊ በዓልታ.\nኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ዝካየድ ያታዊ ጽምብል ኣቡነ-ኣንበስ ከም ንኡስ ፈስቲቫል ክጥቀስ ዝክኣል ኮይኑ፡ ኣብ መጻኢ ሓደ ካብ ቀንዲ ንጥፈታት ዘቤታዊ ቱሪዝም ክኸውን ሰፊሕ ዕድል ዘለዎ ባህላዊ ጽምብል እዩ። ኣብዚ ዞባ ዝርከባ ብሄራትና ከም ኩለን ብሄራትና ኣብ መነባብሮ፡ ጽምብላትን ትልሂትን ኣስተማቒርካ ዘይጽገቡ ዝተፈላለዩ ጥበባትን መሃዝነትን ዝውንና ብሄራት እየን። ገለ ኣብነት ንምጥቀስ፡ ምድላው ባህላዊ መግቢታትን መስተታትን፡ ብወጻእተኛታት ከይተረፈ ተሃራፊ ዝኾነ ወግዒ ቡን፡ መሃዝነት ያታዊ መሳርሒ ሙዚቃ ዋጣ፡ እምብልታ፡ መለኸት፡ ክራር ክጥቀሱ ይኽእሉ። ነዞም ባህላዊ ጸጋታት ከረጋግጽን ከጽንዕን ዝደሊ በጻሒ ኣብ ሃገራውን ዞባውን ዝካየድ ጽምብላት ብኣካል ክሳተፍን ከስተማቕርን ይኽእል።\n\n\nSection::::ወጻኢ ጥብቆታት.\nታሪኻዊት ከተማ\nበለው ከለው\nሓኪር\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4530"} {"headline":"ፖለቲካ","content":"ፖለቲካ\n\nኣግኣኣዝያን ኣብ 18-19 ክፍለ ዘመን ናይ ህዝበ ግእዝ ሃገረ(nation state) ዝነበረት ጽዮናዊት ሃገር እያ፡መራሒኣ ንጉሰ፡ነገስት ዘ ጽዮን ዮዉሃንስ ራብዓይ ኔሪ፡እዛ ኣግኣዝያን ሃገር ቅድሚ ኣክሱም ስልጣን እያ ኔራ፡ብሓጺሩ ናይ ግእዝ\/ትግሪኛ\/ተጋሩ ኩሉ ሓደ እዩ፡ሓደ ሽም ሓደ ህዝቢ እዩ፡ኣክሱም፡ስልጣን ዝፈጠሩ ከተማታት መጠራ፡ወደብ ኣዱሊስ፡ቃንቃ ግእዝ ፈጢሮም ኣክሱም ጽዮን ርእሰ ከተመኦም ጌሮም ን3000 ዓመት ብዘይ ምቁራጽ ካብተን ሽዑ ዝነበራ ዓርሞሽሽ ስልጣኔታት፡ቻይና፡ሮማ፡ፐርሻ ሓደ ኣክሱም ወይ ግእዛዉያን ስልጣኔ እዩ።\n\nኣብ 10ክዘ ብዮዲት ጉዲት ሓያል ዕንወት በጺሕዎ ምኽንያቱ እስልምና ኣብ 7ን 8ን ክዘ ነተን ብቀይሕ ባሕሪ መንግድቱ ዝነበራ ስልጣኔታት ፐርሻ ቻይና ሮማ ስለ ዘዳኸመን ዝሰዓረን፡ኣክሱማዉያን\/ግእዛዉያን ከኣ ብመጠኑ ተዳኺሞም ግን ንዮዲት ጉዳት ስዒሮሞ፡\n\nቀጺሉ ሽርሕን ተንኮልን ኣምሓራ ሽዋ ካብ 14ክዘ ክጻብኦ ጀሚሩ ቀጺሉ ኣዕራብ ኣስላም ካሊፌት ንኣሕመድ ግራኝ ሶማላዊ ብምሕጋዝ ወራር ፈጺሙ ተሳዒሩ፡15ክዘ ዘርዓ ያቆብ ኣምሓራ ክወርር ፈቲኑ ተሳዒሩ ድሕሪኡ ዘመነ መሳፍንቲ ኣርኪቡ ካብ 16ክዘ ክሳብ መጀመርታ 19ክዘ ደማዊ ኩናት ምስ ቱርኪን ኣዕራብን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣካይድና ኣይተሳዓርናን ስዒርናየን፡\n\nድሕሪኡ እቲ ሓያል ንጉሰ ነገስት ዘ ኣክሱም ጽዮን ኣብ 19 ክፍለ ዘመን ነጊሱ ዮዉሃንስ4ይ፡ንቱርኪ ንግብጺ ንማህዲስት ሱዳን፡ንድርቡሽ ናይ ኣስላም ዝተዋጽአ ሓይሊ ስዒሩ ከኣ ዳግማይ ኣክሱም ስልጣኔ ሃገረ ኣግኣዝያን ካብ ኣከዉሃ ምላሽ ትግራይ ክሳብ ቀይሕ ባሕሪ ዝዶባታ ከም ቀደማ ሃገር መስረተ፡\n\nኣብዚ እዋን ግን ምስ ማህዲስት እንዳተዋግእ ኮሎ ተሰዉአ፡ነዚ ዕድል ብምጥቃም ብዉሽጢ ኣምሓራ(ሚኒልክ ሽዋ) ብቀይሕ ባሕሪ ጥልያን ወረራ ብምግባር ንኣግኣዝያን ኣብ ክልተ መቒሎማ ነታ ሓንቲ ኤርትራ ኢሉ ጥልያን ገዚእዋ፡ነታ ሓንቲ ትግራይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ሚኒልክ ኣምጛራ ኣተወት ሃገረ ኣግኣዝያን ኣብ ክልተ ተመቕለት፡ን129 ክሳብ ሕጂ ተመቒላ ሓይሊ ህዝበ ግእዝ\/ተጋሩ\/ትግሪኛ ኣብ ክልተ ተመቒሉ ተዳኺሙ ይርከብ።\n\nነዚ ኢና ከኣ ክንመልሳ ደሊና።ምስ ተጋሩ ሓደ ኢና፡ተፈላሊና ዝሰዓርናዮ ጸላኢ የለን፡ናይ ሓባር ዕጫ እዩ ዘለና፡ስልጣኔናን ዓባይ ሃገረ ኣክሱማዉን ሃገረ ኣግኣዝያን ክንመልስ ንብል ዘለና።ቻይና ሳላ ስልጣኔ ማ ዝመልሰት እያ እዛ ንርእያ ምዕብልቲ ሓያል ኮይና ዘላ።\n\nብዘይ መንነት ሃገር የለን፡መንነትና ኢርትራዊያን ዘይኮናስ ግእዛዉያን ኢና፡ታሪኽና፡ባህልና፡ቃንቃና፡ሕጊ እንዳባና ክንመልስ ኣለና ሽዑ ሃገር ንበሃል፡ጥልያን ነዚ መንነትና ኣጥፊኡ እዩ ሓዲሽ ኤርትራዊ መንነት ክህበና ፈቲኑ ኢሰያስ ኣፎርቂ ዉን ነዚ መንነት ጥልያን እዩ ኣብ ልዕልና ኣብ ልዕሊ ትግሪኛ ክሰርሖ ህርድግ ኢሉ ግን ኣይከኣለን፡ኢሰያስ ንህዝቢ ትግሪኛ\/ተጋሩ ኣይፊኡ ወይ ኣዳኺሙ ልክዕ ከም ናይ ጥልያን ሓዲሽ ኤርትራዊ መንነት ክፈጥር ደልዩ የጥፋና ኣሎ።\n\nታሪኽ መፍትሒ ሽግርካ'ዩ።\/\/ \nቅድሚ 18 ክፍለ ዘመን፥ ከ አንታይ ኢና ኔርና ግአዝ ከም ዘይነበርና መቸም ምስክር አዚ ጽሕፍኩም ኢዩ ። ስለዚ ሕጂ ተጋሩ ኤርትራዊያን ኢና ክክክ ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4534"} {"headline":"ኣግኣዝያን","content":"ኣግኣዝያን\n\nናብ ካልእ ዕብድብድን ዓዘርቆዘርን ከይኣተውና ኣግኣዝያን መን እዮም\n\nማህሌታይ ያሬድ\n\nኣብ ዓለምና ብመሃዝነት ዝተራቐቐ ዜማ፣ ንዓመት ዘገልግል ድርሰት መዝሙራትን መጽሓፍትን እሞ ድማ ቅድሚ 1500 ዓመት ተደሪሱ ዘይሃስስ ትሕዝቶ ዘለዎ ስራሕ ዝሰርሐ ማህሌታይ ያሬድ ጥራሕ እዩ። ድርሰታት ማህሌታይ ያሬድ ብርሑቕ ኰይንና እንትንሪኦም ኩሎም ሃይማኖታዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ይመስሉ። ኰይኑ ግን ክንዲ ማህሌታይ ያሬድ ስለሰላምን ስነምግባርን ዝሰበኸ ኣካል ከምዘየለ ትሕዝቶ ስራሕቱ ቁልጭ ኣቢሎም የርእዩ። ንኣብነት “ድጓ መጽሔተ ጥበብ” ዝበሃል መጽሓፍ ቤተ ክርስትያን ካብ ዝሓዞም 12 ሽሕን 583 መዝሙራት እቶም 1,921 መዝሙር (15 ነጥቢ 3 ምኢታዊ) ስለሰላም እዮም ዝዝምሩ።\n\nካብቶም ስነ ምግባር ዜጋታት ብምምሃር ሰላም ሓንቲ ሃገር ንክሕሎ ዝሰብኩ መዝሙራት ማህሌታይ ያሬድ እንትንርኢ “ንእኩይ (ክፍኣት) ሕደግዋ፣ ጽቡቕ ሓሳብን ምክርን ኣለዋ እሞ ንሰናይ ነገር ተኸተልዋ” ዝብል ንረክብ። እቲ ግእዛዊ ልሳኑ እንትንርኢ እውን”ኅድግዋ ለእኪት ወደግንዋ ለሠናይት፣ እስመ ሠናይ ምክር ባቲ” ዝብል እዩ። ካሊእ ኣብ ዓለም ኰይንካ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክትጓነጽ ስለትኽእል ሓደ ንከይትጓነጽ ከመይ ክትተሓላሎ ከምዘለካ እንተተጓኒጽካ ድማ ዕርቂ እምበር ጎንጺ ረብሓ ከምዘይብሉ ዝመኽሮ ኣሎ። እዚ እውን “ተዓገሱ ልብኹም ኣጽንዑ፣ ካብ ኣንደበትኩም ክፉእ ቃል ኣይውጻእ፣ ጸሓይ እንተይዓረበት ይቕረ ተበሃሃሉ” እንትብል ይስማዕ። እቲ ግእዛዊ ቃሉ እንትንርኢ እውን “ተዐገሡ ወኣጽንዑ ልበኩሙ፣ ቃለ ኅሡም ኢይጻእ እምኣፉኩሙ፣ ወዘእንበለ ይዕርብ ጸሓይ ኣቊርሩ መዓትክሙ” ብዝብል ተጻሒፉ ኣሎ። ማህሌታይ ያሬድ ሓደ ካብቶም ኩርዓት ተጋሩ ዝገብሮ እቶም ዝደረሶም ልዕሊ 12 ሽሕን 900 መዝሙራት ከምቲ ኣብ ዓለማዊ ሙዚቃ ካሊእ ሓጋዚ ዘለዎ ዘይኰነስ ባዕሉ ደራሲ፣ ዘያምን መቀናበርን ብምዃኑ ዝተፈለየ ተፈጥራዊ ውህብቶ ክውንን ኣኽኢልዎ እዩ። እቶም ንመጻሕፍቲ ብሉይ፣ ሓዲስ፣ መነኰሳትን ሊቃውንትን ፍልፍል እናተጠቐመ ዘዳለዎም መዝሙራት ድማ ቤተ ክርስትያን ዓመት ሙሉእ (365 መዓልቲ) ኣዋዲዳ ትጥቀመሎም ምህላዋ ይፍለጥ። ማህሌታይ ያሬድ ዜማኡ ዘዳለዎ ግእዝ፣ እዝልን ኣራራይን ዝበሃሉ ሰለስተ ቅዲ ዜማታት ብምምሃዝ እውን እዩ። ኣብዚ “ግእዝ ዜማ” ማለት ፈላማይ፣ መሪሕን ቀዳማይን ማለት እንትዀን ማህሌታይ ያሬድ ነዚ ፈላማይ ዝበሎ መሰረት ኩሎም ዜማታት ብምዃኑን ብኣደማምጽኡ ብርቱዕ ስለዝዀነን እዩ። “እዝሊ” ዝብል እውን ሕዛል፣ ተኸታላይን ሰዓባይን ማለት ኰይኑ እዚ ስያመ ዝመጸ ድማ እቶም ድምጽታት ኣብ ዜማ ግእዝ ተሓዚሎም ስለዝመጹ እዩ። “ኣራራይ” ዝበሃል ቅዲ ዜማ እውን ዘራህርህ፣ ዘሕዝን (ድምጸ ማሕዘኒ)፣ ንልቦና ጥዑም፣ መዓዝኡ ዝመቀረ ድምጺ ዝብል ትርጉም ኣለዎ። ማህሌታይ ያሬድ ነዚ ስያመ ዝሃቦ ዜማታቱ ካብ ደረት ጀሚሮም ክሳብ ጉሮሮ ብማዕበላዊ ድምጺ እናተገላበጡ ዘስቈንቁኑ (ርኽርኽ ዜማታት) ስለዝዀኑ እዩ። እቶም ዜማታት ምስ ዓለማዊ ስልቲ ዜማ እንተታሕዝዎ “ግእዝ” ዝብል ዜማ ትዝታ፣ እዝሊ ንዝብል ምስ ኣምባሰል ወይ ባቲ፣ ኣራራይ ንዝብል ድማ ኣንቺሆየ ዝብሉ ቅኒታት ዝመሳሰል እዩ። ብምኽንያት እዚ እውን ማህሌታይ ያሬድ ቅጥዒ ዘይነበሮ ዓለማውን መንፈሳውን ዜማ ዓለምና መልክዕ ኣትሒዝዎ እናተብሃለ ይዝረበሉ። ኣብ ሕድሕድ ቅኒት ዜማ ማህሌታይ ያሬድ ድፍኣት (ድፋት)፣ ኪደት፣ ቅንዓት (ቅናት)፣ ይዘት፣ ቊርጥ፣ ርኽርኽ፣ ደረት፣ ድርስን ኣንብርን ዝብሉ 10 ድምጺ ኖታ ዘለዉ ኰይኖም ኣብ ሰለስቲኦም ቅዲ ዜማታት ዘለዉ እንትድመሩ 30 ድምጺ ኖታ እዮም ዝዀኑ። ካብዚ ብምብጋስ እውን እዩ ዘበናዊ መሳርሒ ሙዚቃ ዝሓዞም ድምጺ ኖታታት ንኩሎም ኣብ ዜማ ማህሌታይ ያሬድ ዘለዉ ድምጺ ኖታ ስለዘይሕዝዎ ቅኒት እቲ መዝሙር ከየበላሽዉ ናብ ቤተ ክርስትያን ንከይኣትዉ ዝኽልከል። ማህሌታይ ያሬድ እቶም ዝደረሶም ልዕሊ 12 ሽሕን 500 መዝሙራት ዜማኦም ንከይጠፍእ ምልክት ዜማ ገይሩሎም እዩ። ብምዃኑ እውን ንልዕሊ 1500 ዓመት ዜምኡ እንተይቀየረ ክሳብ እዚ ዘለናዮ ዘበን ዝጸንሐ ብሕታዊ መዝሙር ይገብሮ። እዚ በዓል ምጡቕ ኣእምሮ ዝዀነ ዓብዪ ሊቅ ኣርማ ተጋሩ ካብ ኣቦኡ ኣብድዩ (ይስሓቅ) እንኡ ታውክልያ (ክርስቲናን) 5 ሚያዝያ 505 ዓ\/ም ኣብ ኣክሱም ማይ ክራዋሕ ኣብ ዝበሃል ከባቢ እዩ ተወሊዱ። ትውልዲ ቦትኡ እውን ኣብ ኣክሱም ከምዝዀነ ባዕሉ ኣብ ዝደረሶም ጸዋትወ ዜማታቱ ገሊጽዎ እዩ። ማህሌታይ ያሬድ ኣብ 7ይ ዓመቱ ጌዴዎን ኣብ ዝበሃል ብስጋ እውን ኣኰኡ ኣብ ዝዀነ መምህር እዩ ትምህርቲ ዝጀመረ። እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ደራሲ መጽሓፍ፣ ቅኔ፣ ጸዋትወ ዜማ፣ ጀማሪ መንፈሳዊ መዝሙር፣ ወጣኒ ትርጓመ መጻሕፍቲ ዝዀነ ሊቅ ካብዚ ብተወሳኺ ካልኦት ዝግለጸሉ መልክዓት እውን ኣለውዎ። ንሱ እውን ሊቅ ነገረ መለኰት፣ ሰባኺ ወንጌል፣ ማህደርን መሰረትን ስነ ጽሑፍ ከምኡ እውን መምህር ቅኔን ዜማን ብምዃን ንሃገር ዓብዪ ቅርሲ ዝገደፈ እዩ። ብብርኪ ዓለም ክንዲ ናይ ቅዱስ ያሬድ ሞያታት ዝወነነን ዝፈለመን ሰብ የለን። ነዚ እውን እዩ ማህሌታይ ያሬድ መርኣያ ተጋሩ ዝዀነ ዕንቊ ዓለምና እዩ ዝበሃል። እዚ ዕንቊ ዝዀነ ፈላስፋ ዜማን ስነ ጥበብን ኣብቲ ፈለማ እዋን ትምህርቲ ኣብይዎ ድሕሪ ብዙሕ ምጽጋም ትምህርቱ ኣቋሪጹ ንገዝኡ እንትኸድ ኣብ ሓደ ዓብዪ ጽላል ኦም ኰፍ ኢሉ ዝተምሃሮ ወይ ዝተዓዘቦ ነገር ነይሩ። ንሱ እውን ሓንቲ ናብ ዓብዪ ኦም ብምውጻእ ፍረ ክትበልዕ ዝደለየት ሓሰኻ፤ ናብታ ኦም ክትድይብ እናወደቐት እናተስአት ብምጽናሕ ኣብ መበል ሻውዓይ ጊዜ ተሳኺዑላ ናብታ ኦም ወጺኣ ጡዑም ፍረ እንትትምገብ ተዓዚብዋ። ምስ ህይወቱ ብምዝማድ እውን ከም ተመኩሮ ተጠቒመላ፡፡ ስለዚ ማህሌታይ ያሬድ ካብታ ደቃቕ ፍጥረት ተመክሮ ወሲዱ ናብ ትምህርቱ ብምምላስን ብምምሃርን ኣብ ሓጺር እዋን ግብረ ዲቁና ዝተቐበለ በዓል ምጡቕ ኣእምሮ እዩ። ኣብ መበል 30 ዓመቱ ድማ ዝተራቐቑ ዜማታት ዝደረሰ ኰይኑ ንሓደ ነገር ክሳብ መወዳእታ ብምዕጋስ ከምእትዕወት ዘምሀረ በዓል በሊሕ ኣእምሮ ፈላስፋ ንምዃን በቒዑ።\n\nሚካኤል ስሑል\n\nኣብ ከባቢ 1630 ዓ\/ም ከምዝተወለዱ ዝግመቱ ሚካኤል ስሑል ንኹሎም መሳፍንቲ ትግራይ ስዒሮም ርእሰ ኩሎም መሳፍንቲ ትግራይ ኰኑ። ኣብቲ እዋን ትግራይ እንትበሃል ንምድሪ ሰሜን ወሎ፣ ምድሪ ኣገው፣ ምድሪ ዓፋር፣ ምድሪ ሰሜን፣ ምድሪ ቀይሕ ባሕርን ጠቕሊሉ “ትግራይ ትግርኚ” ብዝብል ስያሜ እዩ ዝፍለጥ ነይሩ። ደገ ኣዝማቲ ሚካኤል ርእሰ ትግራይ ኣብ ዝዀኑሉ ጊዜ ግና ንምድሪ ሓማሴን፣ ባሕሪ ነጋሽ ዝገዝኡ ራእሲ ዓምደ ሃይማኖት ዝበሃሉ ነበሩ። እዞም ራእሲ ንጓል ንጉስ እያሱ ብርሃን ሰገድ ተመርዕዮም ንባሕረ ነጋሽ ይገዝኡ ነይሮም። ኣብ ሓደ እዋን እውን ሚካኤል ስሑል ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ራእሲ ዓምደ ሃይማኖት ኣገልጊሎም እዮም። ደሓር ንኹሎም ስዒሮም ርእሰ ትግራይ ምስኰኑ ከምቲ ዝጸንሐ ኣሰራርሓ ግዝኣት ባሕሪ ነጋሽ ኣብ ትሕቲኦም ክኸውን ሓተቱ። “ትግራይ መሰረተ ንግስነት ስለዝዀነት ኣነ እየ ርእሴኻ፣ ኣብ ትሕተይ ሕደር፣ ኣብ ድሕረይ ዕጠቕ” እንትብሉ መልእኽቲ ንራእሲ ዓምደ ሃይማኖት ሰደዱ። በቲ መልእኽቲ ዝተቖጥዑ ራእሲ ድማ “ባዕለይ ኣባጺሐስ ኣብ ድሕሪትካ ክዓጥቕ?- - -እምብለይ!” ኢሎም መልሲ ሃቡ። ድሕሪ እዚ ሚካኤል ስሑል ሰራዊቶም ኣኽቲቶም ናብ ባሕረ ነጋሽ ዘመቱ። ብዝናኣድ ወታደራዊ ጥበብ ዝተዓጀበ ዓወት ምስጨበጡ ድማ ሚካኤል ስሑል ግዝኣቶም ከመርቑ ናብ ጎንደር እንትጓዓዙ ኣብ ሽረ ዕረፍቲ ገበሩ። በቲ ዝተፈጠረ ለውጢ ዘይተሓጎሱ ሃጸይ እያሱ ብርሃን ሰገድ ሰራዊቶም ኣኽቲቶም ንትግራይ ዘመቱ። ኣዐርዩ ብዙሕ ሰራዊት ሒዞም ከምዝኸተቱ ዝተገንዘቡ ሚካኤል ስሑል እምባ እንዳጽዮን ኣብ ዝበሃል ኣብ ዓጋመ ዕዳጋ ሓሙስ ኣብ ዝርከብ ሓደ መእተዊ በሪ ጥራሕ ዘለዎ ኣብ ዝባኑ ግና ሜዳ ዝዀነ ቦታ ድፋዕ ኣስሪሖም ዓረዱ። ሰራዊት ሃጸይ እያሱ ብርሃን ሰገድ ናብቲ እምባ ምስ ቀረቡ ውግእ ተኸፈተ። ኰይኑ ግና ካብ ዝባን ብዝትኰሰሉ ጠያይትን ብዝውርወረሉ ኲናትን እቲ ሰራዊት ብዙሕ ጉድኣት ወረዶ። ብዙሓት ምውታትን ቁሱላትን ኰኑ። ነዚ ህልቂት ዝተገንዘቡ ካህናት ኣኽሱም፣ እንዳባገሪማ፣ ሚካኤል ዓድዋን ዓጋመን ዕርቂ ክወርድ ልመና ኣቕረቡ። ናብ ዕርዲ ሚካኤል ስሑል ክኣትው ምስተፈቐደሎም ድማ “ሰራዊት ንምንታይ ይሃልቕ- - - ዕርቂ ይውረድ እሞ ጎይታይ ኢዶም ይሃቡ” ክብሉ ተማሕጸኑ። ነቲ ሓሳብ ዕርቂ ዝሰምዑ ሚካኤል ስሑል ናይ ባዕሎም ሓሳብ ኣቕረቡ። “ኣነ ፈጺመ ኢደይ ኣይህብን - - - ሓደ ወታደር ክሳብ ዝተርፍ ክዋጋእ እየ። እንተ ነቲ ንጉስ እትብልዎ ክነግረኩም። ትግራይ ትግርኚ መልዕሎይ እያ- - - መሰረት ንግስነት እውን እያ። ሓደ ተወሳኺ ስልጣን ይደሊ እየ- - -” ኢሎም ሓተቱ። እቶም ካህናት ነቲ ሕቶ ሒዞም ናብ ሃጸይ እያሱ ብርሃን ሰገድ ቀረቡ። እቶም ንጉስ እውን በቲ ዝቐረበ ሕቶ ተስማዕሚዖም ንሚካኤል ስሑል ዋና ኣዛዚ ጦር ኢትዮጵያ ገይሮም ሸይሞምዎም። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ድማ “ራእሲ” ዝብል ማዕርግ ተውሃቦም። ንጓሎም ንወይዘሮ እሌኒ እውን መሪቖም ሃብዎም። ብድሕሪኡ ዕርቀ ሰላም ወረደ። ኣብቲ ጊዜ እቲ ንሃጸይ ክሕግዝ ኣብ ጎጃም ጸኒሑ ዝኸተተ ሰራዊት ዕርቂ እንትግበር ንደጉዓ ተምቤን ሓሊፉ ኣብ ገረብ ግባ በጺሑ ነይሩ ይበሃል። ሽዑ ዕርቂ ምስኰነ እቶም ንጉስ ነቲ ሰራዊት “ወደ ኣገርህ ግባ” ናብ ዓድኻ እተው- - - ኢሎምዎም። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ድማ እቱ ሩባ፣ ገረብ ግባ እናተብሃለ ክሳብ ሕዚ ይጽዋዕ። ድሕሪ ውግእ እምባ እንዳጽዮን (ዕዳጋ ሓሙስ) ዝና ስሑል ሚካኤል ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ገነነ። ብጥበብ፣ ብጅግንነት፣ ብስልጣን ልዕሊ ኩሎም መሳፍንቲ ኰኑ። ከምኡ ኰይኑ ግን ብፍላይ ንጉስ ጎንደር እቲ ሓይልን ስልጣንን ስሑል ክውሓጠሎም ኣይከኣለን። ብድሕሪ ሞት እያሱ ብርሃን ሰገድ በትረ ንግስነት ዝተረከቡ ሃጸይ እዮኣስ ምስ ስሑል ብቐጻልነት ምፍሕፋሕ ኣየቋረጹን። እቶም ንጉስ ንትግራዋይ ይጸልኡን በደል ንምብጻሕ ይፍትኑን ነይሮም ይበሃል። ጉዳይ ሒዞም ዝኸዱን--- “ይግባኝ” ክብሉ ናብ ጎንደር ንዝኣትውን ተጋሩ ናብ ቤተ መንግስቲ ከይቐርቡ ይኽልከሉ ነይሮም። ናብቲ ቤተ መንግስቲ ከይቐርቡ ርሕቕ ኢሎም ክጠርዑ ድማ ገበሩ። እቲ ቦታ እውን ክሳብ ሕዚ “ትግሬ መጮህያ” ተባሂሉ ይፍለጥ። ነዚ ዝተገንዘቡ ራእሲ ሚካኤል ብርቱዕ ተቓውሞ ኣቕረቡ። “ትግራይ መሰረት ንግስነት፣ ክህንነትን ሃይማኖትን ኰይና እናሃለወት ከምዚ ዝበለ ግፍዒ እንታይ ኣምጸኦ?” ኢሎም ሓተቱ። በዚ ድማ ምስቶም ንጉስ ተገራጨው። ንራእሲ ሚካኤል ኣቦኦም ደገ ኣዝማቲ ህዝቅያስ እዮም ዝበሃሉ። ስለዚ ስሞም ሚኪኤል ህዝቅያስ እዩ ክዀን ነይሩዎ። ግና “ሚካኤል ስሑል” ብዝብል ስም እዮም ዝፍለጡ። ስሑል ዝብል ስያሜ ንኽልተ ነገር ከምዘመልክት ይንገር። በቲ ሓደ ገጽ ራእሲ ሚካኤል ኣእምሮኦም ኣዐርዩ በሊሕን ዝተሰሓለን ስለዝነበረ ብጅግንነቶም እውን ርእሲ ኩሉ ስለዝነበሩ (ድሕሪ ሚካኤል ስሑል ንናቶም ጥበብ ጅግንነት ዝወረሱ ሃጸይ ዮሃንስን ራእሲ ኣሉላን ከምዝዀኑ ይእመን) ስሑል ዝብል ስያሜ ድማ ረኺቦም። ብካልእ ገጽ ድማ ኣዐርዮም ምልኩዕ እዮም ነይሮም። ቁመንኦም ዝተመልከተ ሰብ “ስእሊ እንድዮም ዝመስሉ” ዝብል ኣድናቖት ይወሃቦም ነይሩ። በዚ ምኽንያት ድማ ስኡል ሚካኤል እውን ተብሃሉ። ስለዚ ክልተ ትርጉም ዘለዎ ስያሜ ሒዞም ስኡል- - - ሚካኤል ስሑል ዝብል መለለዪ ተጎናጸፉ። ሰበይቶም ወ\/ሮ እለኒ ምስሞቶኦም ንጓል ንግስቲ ምንትዋብ ንወ\/ሮ ኣስቴር ኣእቲዎም ሓደ ቆልዓ ከምዝወለዱ እውን ይፍለጥ። ወዶም ወልደሃዋርያት (ደጃት) እውን ንንእሽተይ ጓል ንግስቲ ምንትዋብ ንወ\/ሮ ኣልጣሽ እዩ ተመርዕዩ። ኣብ መወዳእታ ኣዐርዮም ዕድመ ጸጊቦም ከባቢ 100 ዓመት ምስገበሩ ኣብ ጎንደር እናሃለው ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ መሳፍንቲ ኣዲሞም ሒዞም ኣሰርዎም። ካብ ደጊም ተኣሲሮም እዮም። ሓንቲ እኽሊ እውን እዮም ዝበልዑ ምረጹ በልዎም። መጀመርታ ገረደይ ከማኽር ኢሎም መለሱ። ወርቂት እትበሃል መጋቢቶም ሓተትዋ። “ጎይታይ ስገም ይምረጹ” በለቶም። ከምዝበለቶም ገበሩ። ብድሕሪኡ እታ ወሓለ ዝዀነት ገረዶም ነቲ ስገም - - -ጣይታ፣ ሕምባሻ፣ ጠረሾ፣ ጥሕኒ፣ ስዋ፣ ኣረቂ እናገበረት በብዓይነቱ እናሰርሐት ቀለበቶም። ኣብ መወዳእታ ድማ ተፈቲሖም ናብ ትግራይ መጹ። ብ1780 ዓ\/ም ብግምት ኣብ 100 ዓመቶም ብሞት ተፈለዩ። ብመሰረት ኑዛዜኦም መኳንንቲ ጎንደር ንዓጽሞም ክረኽብሉ ኣብ ዘይኽእሉ ርሑቕን ሰዋራን ስፍራ ኣብ ናዕዴር ዳግና ሚካኤል ተቐበሩ። እቶም ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ፍሉይ ምዕራፍ ዝኸፈቱን “ሰራሒ ንጉስ” (king maker) እናተብሃሉ ዝጽውዑን ራእሲ ሚካኤል ስሑል ማሕተሞም ከይተረፈ “ርእሰ መኳንንቲ ወመሳፍንቲ” እዩ ዝብል ዝነበረ። ዓመታት ምስሓለፈ ተወሊዶም ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ካልእ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፈቱ ሃጸይ ዮሃንስ እውን ብናይ ኣቦኦም ሓረግ ትውልዶም ካብ ራእሲ ሚካኤል ስሑል እዩ ዝምዘዝ። ድሕሪ ሞት ስሑል ሚካኤል ኣብ ፖለቲካውን ወታደራውን ኩነታት ትግራይ ወሳኒ ተራ ዝነበሮም ራእሲ ወልደስላሰን ደገኣዝማቲ ሱባጋድስን ከምዝነበሩ ድማ ይፍለጥ።\n\nሃጸይ ዮሃንስ ፬ይ (ራብዓይ)\n\nህጻን ካሳ ምርጫ (ዳሓር ሃጸይ ዮሃንስ) ኣብ ዝተወለዱሉ ዘበን ትግራይ ትግርኚ ሓሳረ መከራ ዝበልዐሉ ዘበን ነበረ። እቶም ንትግራይ ትግርኚ ከም ሓዊ ኣቃጺሎም፣ ከም ኣምበጣ ሊሒሶም ምድረ በዳ ዘትረፍዋ ደገ ኣዝማቲ ውቤ፣ ንትግራይ ትግርኚ ምስ ተቖጻጸሩ ኣብ ሻምናይ ዓመቶም ብሓሙሽተ ሓምለ (ሓወርያ መዓልቲ) 1829 ዓ\/ም ካሳ ኣብ ተምቤን ፍሉይ ሽሙ ማይ በሓ ኣብ ዝተብሃለ ስፍራ ተወለደ። ኣብዚ ክፋእ ዘበን ዝተወለደ ካሳ ኣዲኡ ወይዘሮ ስላስ ናብ ሓሙሽተ ሓምለ ኣብ ዘውግሕ ሕርሲ እንትትሓዛ “ኣንበሳ ኣጉሰዐ” እናተብሃለ ዝዝንተወሉ ኩነታት ኣሎ። ብዙሕ ጊዜ ንዙፋን ዝመጣጠር ሰብ እንትውለድ ወይ ደሓር ምስ ዓበየ ምስ ንግስነቱ ዝተኣሳሰሩ ሕልምታት፣ ንግርቲ፣ ትንቢት ባህታውያን ተደጋጊሙ ምስማዕ ዝተለመደ እዩ። ምስ ምውላድ ህጻን ካሳ ተዛሚዱ ዝዝረብ ምጉሳዕ ኣንበሳ እውን ኣካል ናይዚ ዝውቱር ባህሊ ከምዝዀነ ይእመን። ስለዝዀነ ድማ “እዚ ተወሊዱ ዘሎ ህጻን ክነግስ እዩ” እናተብሃለ ብስፍሓት ክውረ ጀመረ። ካሳ መንእሰይ ምስኰነ ኣብ ገረብ ግባ ምስ ኣንበሳ ተራኺቡ ወዲ ንወዲ ምስገጠመ ነቲ ኣንበሳ ቀቲሉዎ ዝብል ተጓንፎ እውን ካልእ ተወሳኺ ንመጻኢ ንግስነት ካሳ ዘመልክት ኰነ። እንትውለድ ኣንበሳ ዘጉሰዐሉ፣ ምስ ጎበዘ ምስ ኣንበሳ ተጋጢሙ ዝሰዓረ፣ ምስ ዓበየ ዙፋን መን ይኸልኦ? ዝብል ብሂል ብስፍሓት ተዘርገሐ። እቲ ንማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ ደገኣዝማቲ ውቤ እናርኣየ ዝዓበየ ካሳ ዓሰርተ ትሸዓተ ዓመት ምስመልኦ ብ1847 ዓ\/ም ደገኣዝማቲ ውቤ ብካሳ በዓል ቋራ ተሰዓረ። እዚ ታሪኻዊ ፍጻመ ንመንእሰይ ካሳ ሓዱሽ ምዕራፍ ታሪኽ ኸፈተ። ደገኣዝማቲ ውቤ ንትግራይ ትግርኚ ናብ ዕንወት ዘእተውዋ ጥራሕ እንተይኰኑስ ንኣቦ ካሳ ንሹም ተምቤን ምርጫ እውን ዝቐተሉ ስለዝነበሩ ሞቶም ንመንእሰይ ካሳ ፍሉይ ትርጉም ነይርዎ። ገና ካብ ጊዜ ንእስነቱ ኣትሒዙ ንስርዓት ውቤ ብምቅዋም ሽፍትነት ዝወጸ ካሳ ድሕሪ ውድቀት ውቤ ኣብ ዓመትን ፈረቓን ብ1849 ዓ\/ም ናብ ትግራይ ምስዝመጹ ሃጸይ ቴድሮስ ተራኸበ። ሃጸይ ቴድሮስ ንወሎን ሽዋን ኣገቢሮም ናብ ትግራይ ምስኣተው “ናይ ወለድኹም ሹመት ኣጽኒዐልኩም ኣለኹ እሞ ኩሉኹም እተው” ዝብል ኣዋጅ ኣንገሩ። እቲ ንሽፍትነት በረኻ በረኻ (ቀልቀል ደርገዓጀን፣ ዴስኣን ዓፋርን) ናብርኡ ገይሩ ዝጸንሐ ካሳ ንኣዋጅ ሃጸይ ቴዎድሮስ ሰሚዑ ምስ ሓሻኽሩ ኣተወ። ኩሎም መሳፍንቲ ትግራይ ድማ ነጸልኦም ኣወንዚፎም በብተራ ናብ ድንኳን ሃጸይ ቴዎድሮስ እናኣተው ኢድ ነስኡ። ተርኡ ዝበጽሐ መንእሰይ ካሳ ናብ ድንኳን ሃጸይ ቴዎድሮስ እንትኣቱ ነጸልኡ ኣየወንዘፈን ነይሩ። ነዚ ዝተዓዘቡ ሃጸይ ቴድሮስ ሕርቃኖም ኣብ ከብዶም ዓቢጦም ብናይ ሓሶት ክምስታ ተቐበልዎ። እቲ ስነስርዓት ተወዲኡ ምስመሸየ ሃጸይ ቴዎድሮስ ካሳ ተኣሲሩ ክቐርብ ትእዛዝ ኣመሓላለፉ። መንእሰይ ካሳ ግና ካብ ብጋንኡ ተፈሊጥዎ ንምሸቱ በረኻ ወሪዱ ብምሕዳር እቲ ናይ እምቢተኝነት ሽፍትነት ህይወቱ እንደገና ኣሐደሰ። ሽፍትነት ካሳ ምርጫ ዝኰርኰሖም ሃጸይ ቴዎድሮስ ንመንእሰይ ካሳ ኣብ ኢዶም ዘእትውሉ ምህዞታት ፈተሹ። ብኻልእ ገጽ ድማ ኣብ እንደርታ ገዛኢ ኰይኖም ዝተሸሙ ደገኣዝማቲ ኣርኣያ ሽፍትነት ወዲ ሓፍቶም ብዙሕ ቃሕ ኣይበሎምን። ብተደጋጋሚ ሰብ እናለኣኹ ክኣቱን ምስኦም ኰይኑ ክሰርሕን ንካሳ ተማሕጸንዎ። ካሳ ግና ንምሕጽንታ ኣኩኡ ከይሰምዐ ብሽፍትነት ቀጸለሉ። ብ1856 ዓ\/ም “ሃጸይ ቴድሮስ ንደገ ኣዝማቲ ኣርኣያ ድምጹ ራእሲ ገይሮም ኣብ መላእ ትግራይ ትግርኚ ክሸሙዎም እዮም” ዝብል ወረ ገኒኑ ተሰምዐ። ሽዑ ንሽዑ ድማ ኩሎም መሳፍንቲ ትግራይ ናብ ደብረታቦር ተጸዊዖም ከዱ። በቲ ወረ ሹመት ዝተመሰጠ ደገኣዝማቲ ኣርኣያ ንመንእሰይ ካሳ ኣእሚኖም ሒዞምዎ ናብ ደብረታቦር ገስገሱ። ኣብ ደብረታቦር ምስ በጽሑ ኣሕዋት ካሳ ምርጫ ንዝዀኑ ጉግሳን ማሩን መዓርግ ደገኣዝማትነት ተውሃቦም። እቲ ብዕድመ ካብ ካሳ ብዓሰርተ ሓደ ዓመት ዝንእስ ሚኒሊክ እውን ደገኣዝማቲ ኰይኑ ተሸወመ። መንእሰይ ካሳ ግና “ባራምባራስ” ዝብል ብተነጻጻሪ ትሑት ዝዀነ ሹመት ተውሃቦ። ብሓውሲ ግዞተኛ ኰይኑ ድማ ኣብ ከባቢ ደብረታቦር ኣመሓዳሪ ኰይኑ ተመደበ። ደገኣዝማቲ ኣርኣያ ድማ ኣብ ክንዲ ሹመት ክእሰሩ ተወሰነ። ናብ እምባ መቅደላ ተወሲዶም ድማ ብግዞት ክጸንሑ ተገብረ። ምኽንያት መእሰሪኦም “ምስ ካሳ ተማኺርካ ክሽፍት ዝገበርካ ንስኻ ኢኻ” ዝብል እዩ። ደገኣዝማቲ ባይርኡ ድማ ራእሲ ኰይኖም ንትግራይ ትግርኚ ክገዝኡ ተሸወሙ። ባላምበራስ ካሳ ኣብ ከባቢ ደብረታቦር ንዝተወሰነ ዓመታት ምስጸንሑ ራእሲ ባይርኡ ዋሕስ ኰይኖም ናብ ትግራይ ተመለሱ። ኣብ ትግራይ ምስ ኣተዉ ግና ድሕሪ ቅሩብ ጊዜ ተመሊሶም ናብቲ ዝዓበይሉ በረኻ እንደርታን ዓፋርን ወረዱ። ንስርዓት ሃጸይ ቴድሮስ ከምዘይግዝኡ ብዕሊ ኣፍሊጦም ድማ ናብራ ሽፍትነት ምምራሕ ጀመሩ። ብርቱዕ ሓይሊ እንትወፍሮም ናብ ምድሪ ዓፋር እናወረዱ፣ ጥንክር እንትብሉ ድማ ናብ ደጉዓታት እንደርታን ክልተ ኣውላዕሎን እናደየቡ ሓይሎም ምትእኽኻብ ቀጸሉ። ቀስ ብቐስ እናተርንዑ እንትኸዱ እውን ናብ ደጉዓታት ድድባን ደርግዓጀንን ብምድያብ ንተኣመንቲ ሃጸይ ቴድሮስ ምውጋእ ቀጸሉ። ኣብቲ ጊዜ እቲ ራእሲ ባይርኡ ወኪል ሃጸይ ቴድሮስ ኰይኖም ንትግራይ ትግርኚ እንትገዝኡ ብዴስኣ ደገኣዝማቲ ገ\/ሚካኤል፣ ብሓውዜን ደገኣዝማቲ ሳህሉ፣ ብኣጽቢ ደራ ደገኣዝማቲ ደረስ፣ ብዓድዋን ሽረን ድማ ደገኣዝማቲ ተኽለጊዮርጊስ የመሓድሩ ነይሮም። ባላምበራስ ካሳ እናደልደሉ ምስመጹ ብመጀመርታ ምስ ደገኣዝማቲ ገ\/ ሚካኤል ውግእ ገጠሙ። ቅድሚ ውግእ ምክያዶም ግና ኢዶም ክህቡን ብሓባር ኰይኖም ንሃጸይ ቴድሮስ ክዋግኡን መልእኽቲ እዮም ሰዲዶም። ደገኣዝማቲ ገ\/ሚካኤል ግና ነቲ መልእኽቲ ከምንዕቐት ቆጺሮም ምስ ካሳ ክገጥሙ ወሰኑ። ኣብቲ ኣብ ዴስኣ ዝጀመረን ጸባት ዝተዛዘመን ውግእ ደገኣዝማቲ ገ\/ ሚካኤል ተስዒሮም ተማረኹ። ንኣዲኦም ንባላምባራስ ካሳ ንወይዘሮ ስላስ ኣብ ሽረ ኣሲሮምወን ዝጸንሑ ደገኣዝማቲ ተኽለጊዮርጊስ ንስዕረት ደገኣዝማቲ ገ\/ ሚካኤል ምስሰምዑ ቀተሉወን። ባላምባራስ ካሳ ነዚ ግፍዒ እዚ ምስሰምዑ ሰራዊቶም ኣኸቲሎም ናብ ሽረ ገስገሱ። ኣብኡ ምስበጽሑ ንሰራዊት ደገኣዝማቲ ተኽለጊዮርጊስ ስዒሮም ተዓወቱ። ደገኣዝማቲ ተኽለጊዮርጊስ ተማሪዀም ኣብ ኢድ ባላምባራስ ካሳ ወደቑ። ብድሕሪኡ ኣብ ሽረ መጋባእያ ተኸፊቱ ጉዳይ ደገኣዝማቲ ገ\/ሚካኤልን ደገኣዝማቲ ተክለጊዮርጊስን ብዝተመረጹ ዳያኑ ተርኣየ። ኣብ መወዳእታ እቶም ዳያኑ እቲ ዝተፈጸመ ገበን ብሞት ዘቕጽዕ ከምዝዀነ ኰይኑ ግና ምሕረት ክግበረሎም ልመና ኣቕረቡ። ክልቲኦም ደገኣዝማቲ እውን ኣብ እግሪ ባላምባራስ ካሳ ወዲቖም ምሕረት ሓተቱ። ዋላ እኳ ነተን ልዕሊ ኹሉ ዝሪኡወን ወላዲቶም ወ\/ሮ ስላስ ዝቐተሉ እንተዀኑ ቀጻሊ ሰላምን ምርግጋእን ሃገር ኣዕብዮም ብምርኣይ ባራምበራስ ካሳ ምሕረት ሃቡ። እቲ ንኹሉ ኣፍሪሑን ኣሸቢሩን ዝነበረ ጉዳይ ድማ ብሰላም ተፈትሐ። ብድሕሪኡ ኣብ ኣጽቢ ደራ ደገኣዝማቲ ደረስ ሰራዊት ኣኽቲቶም ንውግእ ይዳለዉ ስለዝነበሩ ባላምባራስ ገጾም መሊሶም ናብ ኣጽቢ ደራ ገስገሱ። ኣብ መይዳ ሓነይታ ድማ ኲናት ተኸፈተ። ወታደራት ደገኣዝማቲ ደረሰ ተስዒሮም ኣንሳሓቡ። ነዊሕ ከይጸንሑ ድማ ደገዝማቲ ደረስ ኣብ ማይ መኽደን ብሞይዘር ጥይት ባላምባራስ ካሳ ግንባሮም ተወቒዖም ሞቱ። ካብኡ ቀጺሉ ባላምባራስ ካሳ ገዛኢ ሓውዜን ምስ ዝነበሩ ደገኣዝማቲ ሳህሉ ተጋጢሞም ምስሰዓሩ ገጾም ናብቶም ዋና ገዛኢ ትግራይ ትግርኚ ናብ ራእሲ ባይርኡ ኣዞሩ። ካብ ቤጌምድር ተመሊሶም ብሽረ ገይሮም ኣብ ጉራዕ ሓይሎም ዘጠናኽሩ ዝነበሩ ራእሲ ባይርኡ “ኣንጻር ካሳ ኽተት!” ኢሎም ኣዋጅ ኣንገሩ። ባላምባራስ ካሳ ካብ ኢድ ሃጸይ ቴዎድሮስ ዋሕስ ኰይኖም ንዘውጽእዎም ራእሲ ባይርኡ ክጎድኡ ስለዘይደልዩ ሽማግለ ሰደዱ። ራእሲ ባይርኡ ግና “እንብለይ” ኢሎም ንኲናት ከተቱ። ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ጉራዕ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ባላምባራስ ካሳ ስዒሮም ራእሲ ባይርኡ ተማረኹ። ንጓል ሃጸይ ቴድሮስ ንወ\/ሮ አልጣሽ ተመርዒዎም የማናይ ኢድ ሃጸይ ቴዎድሮስ ኰይኖም ዝጸንሑ ራእሲ ባይርኡ ካብ ባላምባራስ ካሳ እውን ምሕረት ኣይተነፈጎምን። ምሕረት ዝረኸቡ ራእሲ ባይርኡ ነታ ምስ ዋግሹም ጎበዜ እንትዋግኡ ዝጠፍአት ሓንቲ ዓይኖም እናርኣዩ “ሓንቲ ዓይነይ ንቴድሮስ ሂበያ- - - እዛ ዝተረፈት ሓንቲ ዓይነይ ድማ ንካሳ ብተኣማንነት ከገልግለላ እየ” ብምባል ቃል ኣተወ። ድሕሪ እቲ ምስ ሰራዊት ራእሲ ባይርኡ ዝተኻየደ ውግእን ዝተረኸበ ዓወትን ባላምባራስ ካሳ ደገኣዝማቲ ዝብል መዓርግ ረኺቦም ርእሰ መኳንንቲ ወመሳፍንቲ ትግራይ ትግርኚ ኰኑ። ሃጸይ ቴድሮስ ኣብ መቅደላ ምስ እንግሊዛዊ ጀነራል ናፒየር ተዋጊኦም ኣብ መወዳእታ ሽጉጦም ሰትዮም ምስ ሞቱ ድማ ንግስነት ደገኣዝማቲ ካሳ ጋህዲ ኰነ። 2 ጥሪ 1864 ዓ\/ም ኣብ ኣኽሱም ኣብ ዝተዳለወ ዝለዓለ ስነስርዓት ብኣቡነ ኣትናቴዎስ ቡራኬ “ራብዓይ ዮውሃንስ” ብዝብል ስያመ ንግስነት መንግስቲ ጨበጡ። ሃጸይ ዮሃንስ ምስነገሱ ኣብ ዓመቱ ናብ ሰሜንን ቤጌምድርን (ጎንደር) ብምምራሽ ነቶም ሽዑ ገዛኢ እቲ ካባቢ ዝነበሩ ራእሲ ወረኛ ኣገበሩ። ናብ ጎጃም ብምኻድ ድማ ንራእሲ ኣዳል ኣብ ትሕቲኦም ክግብሩ ገበሩ። ካብኡ ናብ ወሎ ብፍላይ ናብ የጁ ንራእሲ ዓሊ ብሩ ከገብሩ ሰራዊቶም ሰደዱ። ድሕሪ ዝተወሰነ ውግእ ድማ ራእሲ ዓሊ ተማሪዀም እቲ ጸገም ተፈትሐ። ኣብ ደቡብ ወሎ ዝነበሩ ካልእ ሓያል መስፍን ኣባ ዋጠው ነቲ ኩነታት ምስረኣዩ ባዕሎም ኢዶም ሂቦም ዕርቀ ሰላም ወረደ። ብድሕሪኡ ኣዒንቲ ሃጸይ ዮሃንስ ናብ ሽዋ ኣቕንዓ። ንንጉስ ሽዋ ንሚኒሊክ ንምግባር ሰራዊቶም ድሉው ኰነ። ኰይኑ ግና ንጉስ ሚኒሊክ ንሃጸይ ዮሃንስ ንምግባር ስለዝተስማምዑ እቲ ውጥጥ ብዘይ ኲናት መዕለቢ ረኸበ። ብከምዚ ዝበለ ኣገባብ ድማ ሃጸይ ዮሃንስ ነታ ሽዑ ብኣቢሲንያ እትጽዋዕ ሃገር ሳንጣ ገበርዋ። ሃጸይ ዮሃንስ ጥሪ 1864 ዓ\/ም ምስነገሱ ካብ ዘጋጠሞም ዓብዪ ፈተና ሓደ እቲ ብግብጺ ዝተሃቀነ ወራር እዩ። ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ኢትዮጵያ ኣንጻር ወረርቲ ግብጺ ኣብ ዝዋግእሉ ጊዜ እቶም ንስልጣን ተናሓናሒኦም ዝነበሩ ንጉስ ሚንሊክ ብሓደ ወገን ምስ ግብጺ ብኻልእ ወገን ድማ ምስ ጣልያን ርክብ ብምፍጣር ስልጣን ዝጭብጥሉ መንገዲ ይምህዙ ነይሮም። ነዚ ኩነታት ክከታተሉ ዝጸንሑ ሃጸይ ዮሃንስ ብ1870 ዓ\/ም ናብ ሽዋ ወፈሩ። ንወፍሪ ሰራዊት ሃጸይ ዮሃንስ ዝተገንዘቡ ንጉስ ሚኒሊክ ድማ ኣብ ውሽጦም ተንኰል ቋጺሮም ካብ ኲናት ዕርቂ መረጹ። ብምዃኑ ድማ ካብ ደብረሊባኖስ ዝተመረጹ መነኰሳት ሰዲዶም እቲ ውጥጥ ብሰላም ክውዳእ ሕቶ ኣቕረቡ። እቲ ሕቶ ብወገን ሃጸይ ዮሃንስ ተቐባልነት ረኺቡ ብ14 መጋቢት 1870 ዓ\/ም ኣብ መንጎ ሃጸይ ዮሃንስን ንጉስ ምንሊክን ዕርቀ ሰላም ወረደ። ንጉስ ሚኒሊክ ንሃጸይ ዮሃንስ ክግብሩ፣ ነቲ ንጉሰ ነገስት ብምባል ኣቕሪጾምዎ ዝነበሩ ማህተም ኣፍሪሶም ንጉስ ክበሃሉ ስምምዕ ተገበረ። ሃጸይ ዮሃንስ ኣብ ጊዜ ንግስነቶም ብጽቡቕ ካብ ዝለዓለሉ ሓደ ዓብዪ ስራሕ ኣብ ኢትዮጵያ ዓርሰ ምምሕዳር (ፌደራሊዝም) ዝመስል ስርዓት ብምምስራቶም እዩ። እዚ ሰፊሕ ውሽጣዊ ስልጣን ዘጎናጸፈ ናይ ምምሕዳር ስርዓት ተኸኣኢልካን ተስማዕሚዕኻን ኣብ ምንባር ዓብዪ ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮ ብዙሓት ይስማዕምዕሉ። ብሳላ እዚ ኣካይዳ እውን ኣብ መንጎ ንጉስ ሚኒሊክን ሃጸይ ዮሃንስን ክሳብ 1880 ዓ\/ም ንዓሰርተ ዓመት ዝኣክል ሰላም ሰፊኑ ዝጸንሐ። መዋእለ ንግስነት ሃጸይ ዮሃንስ ክልተ መልክዕ ከምዝነበሮ ጸሓፍቲ ታሪኽ ይገልጹ። ብሓደ ገጽ ብግብጺ፣ ጣልያንን ድርቡሽን ካልኦት ንኢትዮጵያ ንምሓዝ ዝግበር ዝነበረ ፈተናን ሃጸይ ዮሃንስ ነዚ ንምምካት ዝገበርዎ ተጋድሎን የንጸባርቕ። ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ዙርያ ንጉስ ሚኒሊክ ዝዓስል ንንጉስ ተክለሃይማኖትን ካልኦትን ዝሓውስ ናይ ስልጣን ምንሕናሕን ነዚ ንምምካን ዝተገበሩ ጻዕርታትን የመልክት። ብመሰረት እዚ ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ኢትዮጵያ ወራር ጣልያን ኣብ ምዕራባዊ ኢትዮጵያ ድማ ወራር ድርቡሽ ኣብ ዝተቐራረበሉ ሰዓት ብ1880 ዓ\/ም ንጉስ ሚኒሊክን ተክለሃይማኖትን ብሓደ ገጽ ምስ ጣልያን ዕርክነት መስሪቶም ብኻልእ ገጽ ሕድሕዲኦም ሽርክነት ፈጢሮም ኣብ ልዕሊ ሃጸይ ዮሃንስ ዓመጹ። ኣብቲ ጊዜ ሃጸይ ዮሃንስ ወዶም ራእሲ ኣርኣያ ስላሴ ሞይቶምዎም ኣብ ዝለዓለ ሓዘን ኣብ ልዕሊ ምንባሮም በዚ ተግባር ክሕደት ሓሪቖም ንሰራዊቶም ኣኽቲቶም መጀመርታ ናብ ጎጃም ወፈሩ። ንጉስ ተክለሃይማኖት ግና ኣብ ክንዲ ምውጋእ ጅብላ ናብ ዝተብሃለ ብርቱዕ በዓቲ ኣትዮም ተኸወሉ። ንጉስ ምኒሊክ እውን ኣብ ክንዲ በቲ ምስ ንጉስ ተክለሃይማኖት ዝመስረትዎ ውዕሊ ምትሕግጋዝ ናብ ጎጃም መጺኦም ዝሕግዝዎም ኣብ ሽዋ ኰይኖም ነቲ ኩነታት ምክትታል መረጹ። ሰራዊት ሃጸይ ዮሃንስ ነቶም ኣብ እምባ ሙተራ (ጅብላ) ዝተሓብኡ ንጉስ ተክለሃይማኖት ንምሓዝ ነቲ እምባ ከቢቡ ብመድፍዕ እናተኰሰ ብዙሕ ጻዕሪ ገበረ። ኰይኑ ግና እቲ እምባ ኣጸጋሚ ስለዝነበረ ንጉስ ተክለሃይማኖት ክተሓዙ ኣይከኣሉን። ኣብ መወዳእታ ንጉስ ተክለሃይማኖት ንሰለስተ ወርሒ ዝኣክል ኣብቲ በዓቲ ተሓቢኦም ምስ ጸንሑ መስከረም 1881 ዓ\/ም ካብቲ በዓቲ ወጺኦም ኣብ እግሪ ሃጸይ ዮሃንስ ወዲቖም ይቕረታ ሓተቱ። “ንጉስ ምኒሊክ እዮም ኣጋግየሙኒ” ብምባል ምሕረት ለመኑ። ሃጸይ ዮሃንስ እውን ምሕረት ገበሩሎም። ብድሕሪኡ ዝቐረበ ሕቶ “ናብ ንጉስ ምኒሊክ ዶ ክንዘምት ወይስ ናብ ድርቡሽ?” ዝብል ነበረ። ኣብቲ ጊዜ እቲ ድርቡሽ ብወገን መተማ ኣትዩ ብዙሕ ግፍዒ ዝፈጸመሉ ጊዜ ስለዝነበረ ሃጸይ ዮሃንስን ኣማኸርቶምን “መጀመርያ ንባዕዳዊ ወራር ንመክት” ኣብ ዝብል ውሳነ በጽሑ። ሃጸይ ዮሃንስ፣ ንጉስ ተክለሃይማኖት ንጎጃም ክሕልው ኣብኡ ገዲፎም ብለካቲት 1881 ዓ\/ም ሰራዊቶም ኣኽቲቶም ናብ መተማ ተጉዓዙ። ሽዑ ናብቲ ኲናት ዝወፈረ በዝሒ ሰራዊት ኢትዮጵያ 80 ሽሕ ዝጽጋዕ እግረኛ 20 ሽሕ ዝኸውን ፈረሰኛ ከምዝነበረ ይግለጽ። ነቲ ኲናት ዝመርሑ ፍሉጣት መኰነናት ድማ ራእሲ ኣርኣያ፣ ራእሲ ቢትወደድ ሃ\/ማርያም፣ ራእሲ ኣሉላ፣ ራእሲ (ንጉስ) ሚካኤል ዓሊ፣ ራእሲ መንገሻ፣ ራእሲ ሓጎስ፣ ዋግ ሹም ገብሩ፣ ቢትወደድ ገ\/ መስቀል፣ ደገኣዝማቲ ቦጋለ፣ ደገኣዝማቲ መሸሻን ካልኦትን ከምዝነበሩ ይፍለጥ። ብወገን ድርቡሽ ዝወፈረ ሰራዊት እውን ናብ 80 ሽሕ ከምዝጽጋዕ እዩ ዝዝንተው። ሃጸይ ዮሃንስ ኣብ ዘበን ንግስነቶም ኣብ ወሎን ከባቢኣን ብኣስገዳድ ካብ ሃይማኖት እስልምና ናብ ክርስትና ንምልዋጥ ጸቕጢ ገይሮም እዮም ዝብል ወቐሳ ብመሰረቱ ሓቅነት ዝጎደሎ እዩ። ከምቲ “ሃጸይ ዮሃንስ ጸረ እስላም እዮም ዝብሉታ፣ ዓፋር እንትዋሰብ ኣበይ ነበሩታ” ዝብል ስነቃል ዘሎ ናብቲ ዝለዓለ መዝነት ዘብጸሖም ህዝቢ ዓፋር ውዕለታኡ ንምግላጽ ዓፋረተይቲ ብምእታው ክልቲኡ ህዝቢ ንክተኣሳሰር ዝገበሩ እዮም። ኣብ ወሎ “ኣይጠየፍ” ዝበሃል ኣዳራሽ ክልቲኦም ሃይማኖታት ተቐራሪቦም ዝዝትይሉ ዝነበሩ እዩ። ከምኡ እውን “ኣስላማይ ዘይብሉ ከተማ ኣይምዕብልን” ኢሎም ካብ ተቐራቒራን ኣጉላዕን ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና ዝዀኑ ወገናት ብምምጻእ ኣብ ጎድኒ ቤተ መንግስቶም መስጊድን ቤተ ክርስትያንን ክስራሕ ዝገበሩን ማዕርነት እምነት ሃይማኖታት ዘኽብሩን በዓል ምጡቕ ኣእምሮ እዮም ነይሮም። ሃጸይ ዮሃንስ ከምቲ ዝውረ ኣብ እስላም ጽልኣት እንተዝነብሮም እቲ ኣብ ወሎ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ኣብ መቐለ ምጀመርዎን ኣብ ጎንደርን ካልኦት ከተማታትን ምቐጸልዎ ነይሮም። ከምኡ ስለዘይነበሩ ግን ነቶም ዝሰግእዎምን ጥፍኣት ዝረኸብሎምን በቲ ዝመስሎም ቀጺዖም ኣብ ካሊእ ኣይቀጸሉን። ብሰንኪ እቲ ዘይመልክዑ ክሕዝ ዝተገብረ ወረ ግን ብዙሕ ህዝቢ ብልቡ ተቐይሙ ክሳብ ምስ ድርቡሽ ዝተሰለፉ ኢትዮጵያውያን ከምዝነበሩ መዛግብቲ ታሪኽ የረጋግጹ። ሃጸይ ዮሃንስ ኣብ ወርሒ ለካቲት “መጻእኹ - - - ተጸበየኒ፣ ከም ሌባ ድንገት ኣዘንጊዑ መጺኡና ከይትብል” ዝብል መልእኽቲ ናብ መራሒ ድርቡሽ ዘኪ ቱማል ምስሰደዱ እዮም ድማ ናብ መተማ ዝወፈሩ። ስለዚ እውን ባሕቲ መጋቢት 1881 ዓ\/ም እቲ ውግእ ተጀመረ። ባሕቲ መጋቢት 1881 ዓ\/ም እቲ ውግእ ምስተኸፈተ ስፍሪ ቁጽሪ ዘይብሎም ተዋጋእቲ ሓበሻ ብናህሪ ናብ መጥቃዕቲ ገስገሱ። ኣብ ቅድሚ ንጉሶም መስዋእቲ ንምዃን ብዝለዓለ ትብዓት ንሓሙሽተ ሰዓት ምስተዋግኡ ነቲ ቀዳማይ ዕርዲ ሰይሮም ኣተዉ። ናይ ጥይት ዝናብ ኣብ ልዕሊ ጸላእቶም ብምውራድ ንወታደራት ድርቡሽ ኰስተርዎም። እቶም ካብ ጥይት ዝተረፉ መሃዲሳት ናብቲ ካልኣይ ዕርዲ ብምህዳም ህይወቶም ንምድሓን እንትጽዕሩ ሰራዊት ሓበሻ ተኸታቲሉ ዕረፍቲ ከልኦም። ይኹን እምበር ሰራዊት ሃጸይ ዮውሃንስ ዓወቱ ንምጉንጻፍ ክእውጅ ኣብ ዝተቐራረቡሉ ሰዓት ሓንቲ ካብ ወገን ስውርን ተንኰለኛን ጸላኢ ዝተተኰሰት ጥይት ነቶም ንጉስ ወቕዐቶም። እቲ ካብ ውሉድ ናብ ወለዶ ዝንተ እለት እናደመቐ ዝነብር ታሪክ ሃጸይ ዮሃንስ ድማ በዚ ተፈጸመ።\nደብተራ ፍስሃጊዮርጊስ ዓበየዝጊ\n\nኣቦ ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ\n\nታሪክ ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ እንትዝከር ሓቢሮም ዝዝከሩ ደረስቲ ብዙሓት ኣይኰኑን። ሓደ ካብቶም ውሑዳት ደብተራ ፍስሃጊዮርጊስ ዓቢየዝጊ ብቐዳምነት ይጥቀሱ። ደብተራ ፍስሃጊዮርጊስ ቀዳማይ (ፈላሚ) ስነጽሑፍ ትግርኛ ጥራሕ እንተይኰኑስ ብዙሕ ዝጽሓፉ እውን እዮም። በኹሪ ጽሕፍቲ ደብተራ ፍስሃጊዮርጊስ እታ ቅድሚ 123 ዓመት ዝተሓተመት “ጦብላሕታ” ዘርእስታ መጽሓፍ እንትትኰን፣ ብትሕዝቶኣ መዝገብ መገሻ እያ። ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኢጣሊያ ብዛዕባ ዝገበርዎ መገሻን ትዕዝብቶምን ኣብ ሰብነቶም ዘሕደረሎም ጦብላሕታን እትገልጽ መጽሓፍ እያ። ደብተራ ፍስሃ ዝተወለድሉ ዘመን ዝገልጽ መረዳእታ እኳ እንተዘይተረኸበ ትውልዲ ዓዶም ግና ኣብ የሓ ላዕላይ ዙፋን ኣብ እትርከብ ስንኩሕና ኣብ እትብሃል ቁሸት እዩ። በቲ ጊዜ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ ትምህርቲ ተማሂሮም ማዕርግ ድብትርና ዝለበሱ ደብተራ ፍስሃ፣ ብርክት ዝበሉ ቋንቋታት ውሽጢ ዓድን ወጻእን ይፈልጡ ከምዝነበሩ እዩ ዝንገር። ካብ ቋንቋታት ወጻኢ ጣሊያን፣ ፈረንሳይ፣ ዓረብ ይፈልጡ ነይሮም። ደብተራ ፍስሃ ንዓዲ ጣልያን ዝኸድሉ እዋን ባሕቲ ሓምለ 1882 ዓ.ም ከምዝነበረ ኣብታ ብዛዕባ መገሸኦም ካብ ኢትዮጵያ ንዓዲ ጣልያን እትገልጽ ሓጻርን ምቅርትን ጽሕፍቶም ገሊጾም እዮም። ናብ ወጻኢ ምስከዱ ነቲ ኣብ ዓዶም እናሃለዉ ፈሊጦምዎ ዝነበሩ ቋንቋታት ወጻኢ ብዝበለጸ ኣጽንዕዎን መለኽዎን። በቲ ዝነበሮም ሰፊሕ ክእለት ቋንቋ፤ ትርጁማን (ተርጓማይ) ሃጸይ ሚኒሊክ ዝነበሩን ንውዕሊ ውጫለ ካብ ጣልያንኛ ናብ ኣምሓርኛ ዝተርጎሙን ሓጋዚ ግራዝማች ዮሴፍ ኰይኖም ኣብ ልዕሊ ምስረሖም፣ ኣብ ሃገረ ጣሊያን ከተማ ሮማ ሰዋስው ትግርኛ፣ ግእዝን ኣምሓርኛን ኣምሂሮም እዮም። ፕሮፌሰር ያቆብ በየነ ኣብ መቕድም “ታሪክ ኢትዮጵያ” ዝብል መጽሓፍ ደብተራ ፍስሃ ጊዮርጊስ ከምዝገለጽዎ፣ ደብተራ ፍስሃ ጊዮርጊስ ናብ ዓዲ ጣሊያን ምስ ከዱ “ኢንሲቲቱቶ ኦሪየንታለ” ኣብ ዝብሃል ቤት ትምህርቲ ናፖሊ ምስ ፕሮፌሰር ፍራንቸስኰ ጋሊና ዝተብሃሉ መምህር ተራኸቡ እሞ፣ እቶም ፕሮፌሰር ብዝገበርሎም ምብርታዕ ኣብ 1887 ዓ.ም ቀዳማይ መጽሓፍ ትግርኛ ኣሰናደዉ። ድሕሪ እዚ “ታሪኽ ኢትዮጵያ ንምጽናዕ ይጠቅም እዩ” ብዝብል መንፈስ ተለዓዒሎም ብዛዕባ “ታሪክ ኣዕራብን ግብጻውያንን” ዝዛረብ መጽሓፍ ናብ ትግርኛ ተርጎሙ። “ጽሩይ ቋንቋ ትግርኛ” ዝትሕዝቶኡ ሓደ መጽሓፍ ጽሒፎም ነይሮም ከምዝበሃል እውን ፕሮፌሰር ያቆብ ይገልጹ። ኣብ መወዳእታ መበል 19 ክፍለ ዘመን ደብተራ ፍስሃ ጊዮርጊስ ብትግርኛ ዝደረስወን ዓበይትን ንኡሳትን ጽሑፋት ሓሙሽተ ከምዝዀና ኣይተ ሃይሉ ሃብቱ ኣብ መባእታ መጽሓፍ ጦብላሕታ ኣብ ዘቕረብዎ ጽሑፍ ይገልጹ። ንሳተን እውን 1. ጦብላሕታ፣ ብ1887 ዓ.ም ኣብ ሮማ ዝተሓትመት፣ 2. እንካብ ዓረብኛ እተገልበጠ ቅያ ቀዳሞት ኣዕራብን እንካብ ኢጣልያ እተገልበጠ ታሪኽ ኣግባጽን፣ ብ1889 ዓ.ም ኣብ ሮማ ዝተሓተመ፣ 3. ታሪክ ኢትዮጵያ ፣ ብ1891 ዓ.ም ዝተሓተመ፣ 4. ታሪክ ንግስተ ሳባ 5. ታሪክ ኣኽሱም ዝብላ እየን። እተን ታሕተዎት ክልተ ጽሑፋት ብደብተራ ፍስሃ ጊዮርጊስ ከምእተጽሓፋ ይፍልጥ ደኣ እምበር ኣይተሓተማን። ብዘይካ እዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሳ ጽሑፋት “ፊተኛይቱና ኋለኛይቱ ኢትዮጵያ” ዘርእሰቱ መጽሓፍ “ኣለቃ ዘወልድ” ብዝብል ብርዒ ሽም ብቋንቋ ኣምሓርኛ ጽሒፎም ብ1891 ዓ.ም ኣሓቲሞም እዮም። ካብዚ ብተወሳኺ ንመዝሙረ ዳዊት ብብራና ዘይኰነስ ብዘመናዊ ሕትመት ንመጀመርታ ጊዜ ብቐይሕን ጸሊምን ሕብሪ ኣሰናዲኦም ኣሐቲሞም እዮም። ደብተራ ፍስሃ ጊዮርጊስ ኣብቲ ዘመን ካብዝነበሩ ምሁራት ጸብለል ኢሉ ዝርአ ፍልጠት ከምዝነበሮም ካብቲ ንሕትመት ዝበቕዐ ስነ-ጽሑፋዊ ስርሖም ምግንዛብ ይከኣል። ፍሉይ፣ ደፋርን መሃዛይን ኣረኣእያ ዝነበሮም ናይ ስነ-ጽሑፍ ሰብ እዮም ነይሮም። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ 1931 ዓ.ም.ፈ ኣብ ሰራዮ ኣብ እትርከብ ዓዲ ዜኑ እትብሃል ቁሸት ዓረፉ።\nነጋድራስ ገብረህይወት ባይከዳኝ\n\nገብረህይወት ባይከዳኝ ኣብ ከተማ ዓድዋ ኣብ 1886 ዓ.ም.ፈ ተወሊዱ። ፈለማ ኣስመራ ኣብ ዝነበረ ናይ ስዊድን ሚሽን፣ ድሕሪኡ ኣብ ጀርመንን ኦስትሪያን ተማሂሩ። ኣብ 1905 ዓ.ም.ፈ ድማ ናይ ጀርመን ልኡኽ ኣስተርጓሚ ኰይኑ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ። ገብረህይወት ባይከዳኝ ምስ ንግስቲ ጣይቱ ብዘይምቅዳዉ ካብ 1909 ክሳብ 1911 ዓ\/ም ኣብ ዘሎ እዋን ናብ ሱዳን ብዘይካ ተሰዲዱ ምጽንሑ፣ ካብ 1905 ክሳብ 1919 ዓ\/ም.ፈ ኣብ ብዙሓት መንግስታዊ ስራሕትታት ተዋፊሩ ንሃገሩ ኣገልጊሉ እዩ። ካብ 1905 ክሳብ 1914 ዓ\/ም.ፈ ኣስተርጓምን ጸሓፍን ሃጸይ ሚኒሊክ፣ ካብ 1914 ክሳብ 1919 ዓ\/ም.ፈ ድማ ኣብ ድሬዳዋ ናይ ጉምሩኽ ሓላፊ ኰይኑ ሰሪሑ እዩ። ገብረህይወት ባይከዳኝ “ሃጸይ ሚኒሊክን ኢትዮጵያን” ከምኡ እውን “መንግስትን ምምሕዳር ህዝብን” ዝብሉ መጽሓፍቲ እውን ጽሒፉ እዩ። እቲ “መንግስትን ምምሕዳር ህዝብን” ዝብል መጽሓፍ ምናልባሽ ኣብ ኣፍሪካ ፈላማይ መጽሓፍ ኢኰኖሚክስ ከምዝዀነ ይግመት። እዚ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊ፣ ቁጠባዊ፣ ፍልስፍናን ትንተናን ዘካተተ መጽሓፍ ምንጪ ድሕረት ሃገራት ኣፍሪካ ብፍላይ ድማ ኢትዮጵያ እንታይ ምዃኑ ብዝርዝር ይገልጽ። ናይታ ኤውሮጳውያን ኣብ በዓቲ እናነበሩ እንተለዉ ስልጥንቲ ዝነበረት ኣፍሪካ ምንጪ ድሕረትን ውድቀትን ውሽጣዊ ሕድሕድ ኲናትን ወራራት ወጻእን ምዃኖም ይገልጽ። ኢትዮጵያ ኣብ ጎደና ምዕባለ ንኽትምርሽ እውን ብኢኰኖሚ ባዕላ ክትኽእል፣ ኣብ ትምህርቲ፣ ምምሕድዳርን ስርዓት ፋይናንስን ሱር በቆስ ለውጢ ክመጽእ ከምዝግባእ ብትረት ገሊጹ እዩ። ነጋድራስ ገብረይህወት ነዚ ሕዚ ኣብ ሃገርና ዝተኣታተወ ፖሊሲታት ልምዓት ብዝግባእ ተንቲኑዎ ነይሩ። “መንግስቲ ንህዝቢ ክረድእን ከብርትዕን እንተዀይኑ ቅድሚ ኩሉ ናብራ ሓረስታይ እናተመሓየሸ ክኸይድ ክጽዕር ኣለዎ” ይብል። እቲ ሓረስታይ ኣብ ጸቢብ ሕርሻ ብዙሕ እኽሊ ንምሕፋስ ዘኽእሎ መሳርዕን ፍልጠትን ንኽረክብ ህዝቢ ዝስልጥነሎም ትካላት መሰልጠኒ ብስፍሓት ክኽፈቱ ኣለዎም ይብል። ዝርገሐ መሰረተ ልምዓትን ትራንስፖርትን ህዝብታት ንኽቀራረቡ ካብ ምግባር ሓሊፉ ኣብ ምርግጋእ ዕዳጋ ዓብይ ትርጉም ከምዘለዎ ይገልጽ። እቲ ሓረስታይ ዕዳን ዕንድዳን ኰይኑ መሬት እናተሸጠ ኣብ ኢድ ውልቀ ሰባት ንኸይኣቱ እውን ስግኣቱ ይገልጽ። ንኢንቨስትመንት ድማ ዓንዲ ሕቖ ልምዓት ገይሩ ይገልጾ። “ኣብ ሃገርኩም ኰይነ ክሰርሕ እየ” ንዝብል ዝዀነ ይኹን ሃገር ዜጋ ሓንጎፋይ ኢልካ ተቐቢልካ፣ ዝጸገሞ ነገር ምሕጋዝ ጠቓሚ ምዃኑ ይገልጽ። ካብዚ ብምብጋስ እውን ነጋድራስ ገብረህይወት ባይከዳኝ፣ ኣብ ዘይእዋኑ ዝተፈጠረ ፈላስፋ ዘመናዊ ኢኰኖሚክስ ብምባል የሞግስዎ። ፍልስፍና ነጋድራስ ገብረህይወት ባይከዳኝ ንኢትዮጵያ ጥራሕ እንተይኰነስ ንመላእ ሃገራት ኣፍሪካ ዓብይ ትርጉም ከምዘለዎ ብዙሓት ይስማምዑ። ነጋድራስ ገብረህይወት ባይከዳኝ ኣብ መበል 32 ዕድሚኡ ኣብ 1919 ዓ.ም.ፈ ዓሪፉ።\nኰዀብ ጽባሕ (ኣርኣያ ዘሪሁን፣ ካብ 1940 ክሳብ 1999 ዓ\/ም)\n\nኣርኣያ ዘሪሁን ኣብ ወርሒ ጥሪ 1940 ዓ\/ም ኣብ ከተማ ዓድዋ ተወሊዱ። ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ ትምህርቲ ኣብ ኣስመራ ተማሂሩ። ድሕሪኡ ናብ ዩ ኤስ ኣሜሪካ ብምኻድ ኣብ 1966 ዓ\/ም\/ፈረንጂ ብኢንተርናሽናል ስቴዲስ፣ ኣብ 1979 ዓ\/ም ፈረንጂ ድማ ብማናጅመንት ቀዳማይ ዲግሪ ሒዙ። ኣብ 1981 ዓ\/ም ፈረንጂ ድማ ብዲቨሎፕመንት ኢኰኖሚክስ ብካልኣይ ዲግሪ ተመሪቑ። ኣርኣያ ዘሪሁን ካብቶም ንማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝመስረቱ ውሑዳት ግዱሳት ተጋሩ ሓደ እዩ። ነሓሰ 1981 ዓ\/ም ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝተኻየደ መስራቲ ጉባኤ ማልት ኣባል ቦርድን ኣባል ፈጻሚ ኰሚቴን ማልት ኰይኑ ተመሪጹ። ተሓዚ ገንዘብ ኰይኑ እውን ኣገልጊሉ። ካብ 1984 ዓ\/ም ክሳብ 1994 ዓ\/ም ድማ ኣቦ ወንበር ማልት ኰይኑ ንልምዓት ትግራይ ተረባሪቡ። ኣይተ ኣርኣያ ዘሪሁን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንክትበጽሕ ቀትሪ ምስ ለይቲ ጽዒሩ። ንሱ ብኣቦ መንበርነት ኣብ ዝመርሐሉ እዋን ማልት 1072 ህንጸት ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ልምዓት ከምዘካየደት ይፍለጥ። ኣይተ ኣርኣያ ዘሪሁን ነታ ማሕበር ኣብ ምጥንኻር ካብ ዝነበሮ ልዑል ድሌትን ንህዝቢ ኣእሚንካ ናይ ምኻድ ብሱል ኣመራርሓን ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ምህዞታት እውን ኣተኣታትዩ እዩ። መስርሕ ቴሌቶን ንፈለማ ግዜ ዝተኣታተወ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ወለዲ ዘይብሎም ደኻትም ቆልዑ ብምትእኽኻብ ሰርከስ ትግራይ ክጣየሽን ርእሶም ክኢሎም ክንቀሳቐሱን ገይሩ። ንፉዓት ተምሃሮ ብሰንኪ ድኽነት ትምህሮም ምእንቲ ከየቋርጹ ኣብ ዕጽው ቤት ትምህርቲ ዝምሃርሉ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ንክስራሕ ሓሳብ ዘቕረበን ንተግባራውነቱ ክሳብ መወዳእታ ዝተረባረበን እውን ንሱ እዩ። ሓርበኛ ልምዓት ኣይተ ኣርኣያ ዘሪሁን ካብቶም ትግራይ ዘመናዊ ፍልጠት ምህንድስና ብዝወነኑ ዝምራሕ ቴክኖሎጂ ንክትኸውን ራእይ ሒዞም ንኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ መቐለ ዝመስረቱ ውሑዳት ሰባት መሪሕ ኰይኑ ይጥቀስ። ኣይተ ኣርኣያ ናይቲ ኢንስቲትዩት ናይ ቦርድ ላዕለዋይ ኣመራርሓ እውን ነይሩ። ክሳብ ዕለተ ዕረፍቱ ናይ ከቢረ ኢንተርፕራይዝ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ዝነበረን፣ ደኺመ ዘይፈልጥን ህርኩትን ናይ ልምዓት ሓርበኛ ኣይተ ኣርኣያ ዘሪሁን ፋብሪካ ስፌት ዓለማ “ማ ጋርመንት” ኣብ ውሽጢ ዝሓጸረ እዋን ንስራሕ ክበቅዕ ብምግባር ብርክት ዝበሉ ወገናት ናይ ዝረአ ዕድል ክረኽቡን ትግራይ ተወሳኺ ዘመናዊ ፋብሪካ ክትውንን ገይሩ እዩ። ይኹን እምበር ኣርኣያ ኣብ ከምዚ ዝበለ መርኣያን ካብ ውሉድ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍን ሃይሃይታ ልምዓት እናሃለወ ብሃንደበታዊ ሕማም 13 ጥቅምቲ 1999 ዓ\/ም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።\nዶክተር ተወልደብርሃን ገ\/እግዚኣቢሄር “ሎሬት”\n\nዶክተር ተወልደብርሃን ገብረእግዚኣብሄር 1932 ዓ\/ም ኣብ ወረዳ ወርዒ ለኸ ሩባ ገረድ ተባሂላ ኣብ እትፍለጥ ንእሽተይ ቁሸት ተወሊዱ። ቁልዕነቱ ልክዕ ከም ወዲ ሓረስታይ ትግራይ ያህለላ፣ ኩርባባ፣ ገበጣን እናተጻወተ ዝዓበየ ህጻን ዋላ እንተዀነ ብፍሉይ ንእጽዋት ዝለዓለ ፍቕሪ ነይርዎ። ስለዝዀነ ብዝነበሮ ድሌት ዘመናዊ ትምህርቲ ቀዳማይ ብርኪ ኣብ ከተማ ዓድዋ፣ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዊንጌት ኣብ ዝበሃል ቤት ትምህርቲ ዛዚሙ። ብ1952 ዓ\/ም ናብ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ኰሌጅ ብዝለዓለ ውጽኢት ዝኣተወ ዶክተር ተወልደ ብ1955 ዓ\/ም ተመሪቑ። ኣብቲ ኰሌጅ ብዘርኣዮ ጸብለልታ ድማ ብ”ቻንስለርስ ሳይንስ” ካብ ኢድ ሃጸይ ሃይለስላሴ ወርቂ ሜዳልያ ሽልማት ተበርኪትሉ። ድሕሪ ምረቓ ድማ ኣብቲ እዋን ውሩይ ተመራማሪ ምስ ዝነበሩ ዶ\/ር ኣክሊሉ ለማ “ኣብ ምምርማር ሳይንስ ርክብ ሕማማትን ስነ ህይወትን ዝምልከት ምርምር (ፓቶባዮሎጂ) ዕድል ምርካቡ ንብራኸ ዓቕሙ ወሳኒ ነይሩ። ዶ\/ር ኣክሊሉ ለማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዘጣየሽዎ “ኢንስቲትዩት ኦፍ ፓቶብዮሎጀ” ዝርዝር መተግበሪ ትልሚ መርሃ ግብሪ ኣዳልዩ ናብ ተግባር ዝቐየረ ምሁር እዩ።\n\nኣብ ዓባይ ብሪታንያ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ብእጽዋት ሳይንስ ዶክትሬት ዲግሪ ዝሓዘ ዶክተር ተወልደ ኣብ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ዲን ፋካሊቲ ሳይንስ ብዘካየዶም ምርምራት ኣብ ዕብየት እቲ ዘፈር ዓለምለኻዊ ተጽዕኖ ዝፈጠረ ምሁር ምዃኑ ብዙሓት ምሁራት ይምስክርሉ። ፕረዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ኰይኑ ንሸውዓተ ዓመት ዝሰርሐ ዶክተር ተወልደ ክፍሊ ትምህርቲ ስነ ህይወት ባሕሪ (ማሪን ባዮሎጂ)፣ ኣብ ከበሳታት ኤርትራን ትግራይን ዝርከቡ “ፕሪካምቢያን ማዕድናት” ንምጽናዕ ዝተጣየሸ “ማይኒንግ ጂኦሎጂ” ክፍልታት ኣብ ምኽፋት ብክልስ ሓሳብን ብተግባርን መሪሕነቱ ዝተዋጽአ ምሁር እዩ። ዶ\/ር ተወልደ ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ኣብ ዝነበሩ ድኽነት ናይ ምጥፋእ ፈተንቲ ዓመታት ብፖለቲካዊ ድለላ ምዕራባውያን ነቅ ዘይብል ቅዋም ዝነበሮ፣ ምችውን ስሓብን ኣብ ዝዀኑ ዓለምለኻዊ ትካላት ምስራሕ ዝተሓሰመ፣ ብምዕራባውያን ከይተደለለ ድሕንነት ሃገሩን ኣህጉር ኣፍሪካን ዘውሓሰን ዘኽበረን በሊሕን ፈታዊ ዓዱን ምሁር እዩ። ብፍላይ ንኢትዮጵያ ወኪሉ ኣብ ዓለምለኸ ኰንፈረንስ ለውጢ ብኽለት ኣየር 2002 ዓ\/ም ኣብ ኣዳራሽ ሕቡራት መንግስታት ዘካየዶ ወሳኒ ክትዕ ውድብ ሕብረት ኣፍሪካ ኣድናቖቱ ገሊጹ እዩ። ነዚ ኣጀንዳ ኣብ ዝምልከት ዓለምለኻዊ መድረኻት ካብ ሪዩ ደጀኔሮ ክሳብ ፓሪስ ኣብ መሰል ዋንነት ፈጠራ ማሕበረሰብ፣ ብኽለት ከባቢ ኣየርን ጽልዋ ሓረስቶትን ዓለምን ኣብ ዝበሉ ዛዕባታት ኣብ ምምዕባል ንዝርከባ ሃገራት ወኪሉ ተኻቲዑ። ብዘካየዶ ስነ ሞጎታዊ ሓሳባት ከባቢ ኣየርን ብዘቕረቦ መፍትሒ ሓሳባትን ድማ ህይወት ሓደ ነጥቢ ኣርባዕተ ቢልዮን ሓረስቶት ዝለወጠ ከምዝነበረ ይምስከረሉ። በዚ ድማ ዶክተር ተወልደ በዞም ኩሎም ዓለምለኻዊ ኣስተዋጽኦታት ብ1993 ዓ\/ም ንኖቤል ሽልማት ብሕጹይነት ሳዓሪ ኰይኑ ቐሪቡ “ሎሬት” መዓርግ ረኺቡ። ካብኡ ሓሊፉ ብ1996 ዓ\/ም ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብዝለዓለ ጽምብል ናይ ክብሪ ዳይሬክትሬት ተቐቢሉ። ኣብዚ እዋን ድማ ዶክተር ተወልደ ደኺሙንን ስልችዩንን እንተይበለ ዓዱ እናገልገለ ይርከብ።\nነዚ ዘይኣምን ኣምሓራይ ወይ ወዲ ኣድጊ ጥራሕ እዩ\n\nየማነ ኣባደዲ ግደይ መቐለ","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4535"} {"headline":"ሜክሲኮ","content":"ሜክሲኮ\n\nሜክሲኮ (፣ )፣ ወግዓዊ ሕቡራት መንግስታት ሜክሲኮ (፣ )፣ ኣብ ደቡባዊ ሰሜን ናይ ሰሜን ኣመሪካ ክፋል እትርከብ ሃገር እያ። ርእሰ ከተማ ከተማ ሜክሲኮ እያ።\n\n
\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4536"} {"headline":"ንግዲ","content":"ንግዲ\n\nንግዲ ምምሕልላፍ ይጠቓልል ኣቕሓ ወይ ከኣ ኣገልግሎታት ምስ ሓደ ሰብ ወይ ከኣ ኣካል ናብ ካልእ ሰብ, ብዙሕ ጊዜ ብለውጢ ናብ ገንዘብ. ስነ-ቍጠባዊ ምስክር ስርዓት ወይ መርበብ እቲ ከም ንግዲ ከም ዕዳጋ.\n\nችርቻረ ንግዲ ናይ ሽያጥ ይጠቓልል ኣቕሓ ኣቕሑ ንግድ ካብ ብጣዕሚ ቀዋሚ ቦታ (ከም ክፋል ክፍሊ ክዙን, ባዛር ወይ ኪዮስክ), ብመስመር ወይ ከኣ ቡስጣ, ብንእሽተይ ወይ ከኣ ብውልቀ-ሰብ ምሉእ ብቐጥታ ንምጥቃም ወይ ከኣ ኣህለኸ ብ ዓዳጊ. ጃምላ ንግዲ ተባሂሉ ሳዕስዒት ክ መራኸቢ ብ ኣቕሓ እቲ እዮም ተሸይጡ ከም ኣቕሑ ንግድ ናብ ቸርቻሪ, ወይ ከኣ ንኢንዱስትሪ, ንግዳዊ , ትካላዊ , ወይ ከኣ ካልኦት ሞያዊ ንግዲ ተጠቀምቲ, ወይ ከኣ ንኻልእ ጀማሊ ከምኡውን ኣዛመደ ተጸጋዒ ኣገልግሎት.\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4540"} {"headline":"ሓበን ግርማ","content":"ሓበን ግርማ\n\nሓበን ግርማ፡ ንኹሉ ባህርያውን ማሕበራውን መሰናኽላት ስዒራ ትሕንበብ ዘላ ኮኾብ መንእሰይ እያ። ኣብ 1988 ኣብ ግዜ ልደታ ዓይነ-ስውርትን ጸማምን ኮይና ኣብ ኦክላንድ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ካብ ኤርትራዊት ኣደን ኢትዮጵያዊ ኣቦን ዝተወልደት ሓበን፡ ከም’ቲ ንመስተብሃልስ “ነቲ ጸድፊ’ውን መደያይቦ ኣለዎ” ዝብል ብሂል ኣበው፡ ነቲ መፋጥርታ ዝኾነ ባህርያዊ ስንክልና ዝስዕር ባህርያዊ ትዕድልቲ ሒዛ እያ ኣብ’ዛ ዓለም ዝመጸት። ሓበን ተመሃሪት መባእታ ኣብ ዝነበረትሉ፡ ንግድላት ስንክልና ብዝልዓለ ንምብዳህ ጎኒ ጎኒ ስሩዕ ኣካዳምያዊ ትምህርታ ፍሉይ ናይ ብረይል ትምህርቲ ተኸታቲላ፡ ድጅታላዊ መሳርሒ ብረይል፡ ዕቑር ተውህቦኣ ብዝልዓለ ንኽተበራብር ብፍላይ ኣብ ትምህርቲ ዝያዳ ንኽተድምዕ ልዑል ኣበርክቶ ከም ዝገበረላ ድማ ትገልጽ። ንሳ ገና ንእሽቶ እንከላ ብዘይካ ኣብ ኣካዳሚ መሰል ስንኩላን ኣብ ምቅላሕ ክትነጥፍ ጀመረት። በዚ ድማ ጓል 15 ዓመት ምስ ኮነት ናብ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ማሊ ብምጓዓዝ ንዓይነ-ስውራን እተገልግል ቤት ትምህርቲ ኣብ ምህናጽ ብወለንታ ምስ ናይ ግብረ-ሰናይ ትካል ሰርሐት። ብድሕሪ’ዚ ኣብ ፖርትላንድ ኣመሪካ ኣብ ኮለጅ ብዓውዲ ስነ-ሰብን ማሕበረሰብን ናይ ቀዳማይ ዲግሪ መዓርግ ረኸበት። ሓበን ብዘለዋ ስንክልና፡ ጾታን ዓሌትን ምኽንያት የጋጥማ ንዝነበረ ተነጽሎ ንምብዳህ፡ ብዓውዲ ሕጊ ዝልዓለ ደረጃ ትምህርታ ክትቅጽል መረጸት፡ በዚ ድማ ኣብ 2013 ካብ ቤት ትምህርቲ ሕጊ ሃርቫርድ ብናይ ዶክትረይት ማዓርግ ዝተመረቐት ቀዳመይቲ ዓይነ-ስውርትን ጸማምን ኮነት።\n\nሓበን፡ ብዝገበረቶ ፍሉይ ጻዕሪ ከም ወናኒት ፍሉይ ሓይሊ ካብ ስሙያት ሰባት ዓቢ ምትብባዕን ኣፍልጦን ክትረክብ በቕዐት። ፕረዚደንታት ኣሜሪካ ባራክ ኦባማን ዊልያም ቢል ክሊንተንን ከም ናይ ክብሪ ዕድምቲ ናይ ዋይት ሃውስ ብፍሉይ ኣተባቢዖማ። ዓወታት ሓበን በዚ ጥራይ ኣየብቅዐን፥ ድሕሪ ምምራቓ ኣብ ሓደ ናይ ስንኩላን መሰል ዝጣበቕ ዘይመንግስታዊ ትካል ከም ጠበቓ ኮይና ሰርሐት። ሓበን ኣብ ምውሓስ ምዕሩይ መሰል ስንኩላን ብፍሉይ ወኒ እያ ትጽዕር፡ “ንዓለም ዝሓሸት መድረኽ ንምግባራ እዩ ጻዕረይ፡ እዚ ኹዉን ንምግባር ብዙሕ መገድታት ኣሎና። ንኣስራሕቲ ትካላት፡ ስንኩላን ክብሪ ከም ዘለዎም ብምንቃሕ፡ መሳርሒ ብረይ ብምዝርጋሕ...ወዘተ” ድማ ትብል። ምዕሩይ መሰል ስንኩላን ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንምውሓስ ብእትገብሮ ደረት ኣልቦ ጎስጓሳዊ ጻዕሪ ድማ፡ ሎሚ ዓመት፡ ውድብ ዓይነስውራን ኣሜሪካ AFB ብ4 ሚያዝያ 2018 ኣብ ዘዳለዎ ዓመታዊ ሽልማት ዓወታት ሄለን ከለር Helen Kel-ler Achievements Award፡ ኣብ ጎኒ ወከልቲ ትካላት ፌስቡክን ማይክሮሰፍትን ብምዃን ተሸላሚት ክትከውን ኣብቃዓ። ትካላት ፌስቡክን ማይክሮሰፍትን ህዝባዊ ኣገልግሎታተን ንስንኩላን፡ ዓይነ-ስዉራንን ጽሙማንን ክጥቀሙሉ ብዝምችእ ኣገባብ ከመሓሽኦ ብምኽኣለን እየን ተሸለምቲ ኽኾና በቒዐን። \n\nሓበን፡ ኣብ ግዜ ሽልማታ ንተሳተፍቲ ናይ እቲ ምሸት ኣብ ዘስማዓቶ ቃል፡ “ኣብ ዘመነ ሄለን ከለር ሃርቫርድ ዩኒቨርስቲ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ እዩ ዝቕበል ኔሩ። በዚ ድማ ሄለን ብጾታኣ ይኹን ስንክልናኣ ኣብ ሃርባርድ ከጽንዕ ተኽእሎ ኣይነበረን፡ ሕጂ ግን ነዊሕ ተጓዒዝና ኢና፡ ሃርባርድ ንጾታ ይኹን ንሕብረ-ዓሌታዊ ተሳትፎ ማዕጽኡ ከፊቱ ኣሎ። እዚ ክንብል ከሎና ግን ኩሉ ተነጽሎታት ኣንጻር ስንክልና ኣብቂዑ ማለት ኣይኮነን፡ ኣብ ዓለምና ኣስታት 1.3 ሚልዮን ስንኩላን ኣለዉ፡ እዚኣቶም ሓደ ዓቢ ኮሚኒቲ እዮም ዘቑሙ። ምስ ኩነታት ስንክልንኦም ዝምችእ ኣገልግሎት ክረክቡ መሰል ኣለዎም። ግዝየይ፡ ስርሐይ ይኹን ዕድመይ ዓለምና ሓቛፍት ንምግባራ እዩ። ካብ ቤት ትምህርቲ ጀሚርካ ክሳብ ናይ ቴክኖሎጂ ትካላት ኣብ ዝህብኦ ኣገግሎት ይኹን ዘዳልውኦ ፕሮግራማት ንምቹእ ተጠቃምነት ስንኩላን ኣብ ግምት ክእዩ እዩ ጻዕረይ። ኩልኻትኩም ኣብ’ዚ ጻዕረይ ከም እትሓብሩኒ ድማ ትስፍውቲ እየ።”እላ።ብዙሓት መንእሰያት ምስ ምሉእ ህዋሳት ስምዒትናን ምስ ምሉእ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጥዕናን እና ሃለወና ንባህርያዊ ትዕድልትና ከይተጠቀምናሉ ዕድሜና ንኾንቱ ንሕልፎ። ገለ መንእሰያት ድማ ብባህሪ ይኹን ሰብ ዝሰርሖ ሓደጋ ንዘጋጥሞም ስንክልና ስዒሮም ኣብ ሂይወት ዓበይቲ ዓወታት የመዝግቡ። ሓበን ግና፡ በመፋጥርታ ዝኾነ ባህርያዊ ስንክልናን ማሕበራዊ ተነጽሎታትን ከተገትኤት፡ ኣብ ሂወት ዓቢ ዓወት ክተመዝግብ ዝበቕዐትን ዓለም ንምልዋጥ ኣብ ቀጻሊ ጻዕሪ ትርከብን ኣብነታዊት መንእሰይ እያ። በዚ ኣጋጣሚ ንሓበን ዮሃና እናበልና! መንእሰያት ድማ ኣብነታ ብምኽታል ዘሎና ዕቁር ጸጋ ብዝልዓለ ብምብርባር ስምናን ስም ሃገርናን እነስምየሉ ዕዮ ክንዓዪ ነዘኻኽር።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4569"} {"headline":"ኔዘርላንድ","content":"ኔዘርላንድ\n\nኔዘርላንድ (፣ )፣ ምስ ደሴታት ኣሩባ፣ ኩራሳውን ሲንት ማርተንን ብሓባር ንግስነት ኔዘርላንድ ይምስረታ፣ ካብ ኣርባዕቲኤን ዝዓበየት ቅዋማዊት ሃገር እያ። ኔዘርላንድ ኣባል ኤውሮጳዊ ሕብረት እያ።\n\nእታ ሃገር መብዛሕትኡ ግዜ ከም ሆላንድ ተባሂላ እያ እትፍለጥ፣ ምኽንያቱ ስም እቲ ኣዝዩ ጸላዊ ወይ ኣገዳሲ ታሪኻዊ ዞባኣ፣ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል እታ ሃገር ዝርከብ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4603"} {"headline":"ኣምስተርዳም","content":"ኣምስተርዳም\n\nኣምስተርዳም ናይ ኔዘርላንድ ርእሲ ከተማ እያ። \n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4604"} {"headline":"ቋንቋ ትግርኛ","content":"ቋንቋ ትግርኛ\n\nትግርኛ ኣብ ኤርትራን ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያን ኣብ ክልል ትግራይ ዝዝረብ ሴማዊ ቋንቋ እዩ። ፊደላት ትግርኛ ካብ ኣብ ስልጣኔ ኣኽሱም ዝጀመረ ፊደል ግእዝ ዝፈለቑ እዮም። ኮይኑ ግን ትግርኛ ዶ ወይስ ግእዝ እዩ ዝቕድም ዝብል ሕቶ ክሳብ ሕጂ መጽናዕቲ ዘድልዮ እዩ። ኣብ ካልእ ሓሳብ እውን ግእዝ ዝበሃል ቋንቋ ነይሩ ኣይፈልጥን፡ ስልጣኔ ኣኽሱም ኣብ ጥርዚ ምዕባሌ ምስ በጽሐ፡ ንጽሑፋዊ ጉዳያት ንምግልጋል ከም ፊደል ዝማዕበለ እዩ ዝብሉ እውን ኣለዉ። በዚ ኮነ በቲ ኣብ ዓለም፡ ቋንቋ መትኒ ህይወት ደቂ-ሰባት እዩ። ምናልባት፡ ቋንቋ እንተዘይፍጠር ተበጺሑ ዘሎ ዕቤትን ምዕባለን ክሳብ ክንድ’ዚዶ ምሰጐመ ኢልካ ሕቶ ክተልዕል ድማ ባህርያዊ እዩ። ምኽንያቱ፡ ስኒትን ሓድነትን ንምህዞታት ዝሕግዙ ሓሳባት ግድን ኣብ ሓባራዊ መረዳእታ ሰባት ኪምርኮሱ ኣለዎም። ንባዕሉ ሰባት ብስኒት ማሚቖም ኪነብሩ ዘኽእሎም መሰረታዊ ረቛሒ’ውን ሓይሊ ሓባራዊ ቋንቋ ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኮነን። ስለዚ፡ ቋንቋ ቀንዲ ህይወት ወይ እስትንፋስ ሓባራዊ ናብራ ደቂ-ሰባት ምዃኑ ኣየማትእን። በዚ መንጽር፡ ደቂ-ሰባት ማዕረ-ማዕረ ካልእ ንጥፈታቶም ንምዕባለን ዘመናውነትን ዚጥቀምሉ ቋንቋ’ውን ከይትሓለሉ ኪጽዕሩ ይግባእ።\n\nብርግጽ፡ ቋንቋ ምስ ግዜን ኩነታትን ኪምዕብል ናቱ ዳይናሚካዊ መስርሕ ኣለዎ። ልዕሊ ኩሉ ግን፡ ተጠቀምቲ ወይ ተዛረብቲ ሓደ ቋንቋ ብውሕዱ ንምዕቃቡ፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ንምዕባለ ዝግልገልሉ ቋንቋ ኣደኦም ክሳብ ህይወቶም ከሕልፍሉ ይረኣዩ’ዮም። ብመሰረቱ፡ ህላወ ይኹን ትንሳኤ ሓደ ቋንቋ ንህላወን ትንሳኤን ተጠቀምቱ’ውን ጸላዊ ስለዝኾነ። ብሓጺሩ፡ ኣብ ሓደ ሃገር ፖለቲካዊ ኣገዳስነት ሓደ ቋንቋ ኣጸቢቑ ኪዓዝዝ እንተኾይኑ፡ ትካላት ቋንቋ ኪምስረታን ኪንቀሳቐሳን ይግባእ። ብዘይካ’ዚ፡ ብፍላይ ትካላት ስርዓተ-ትምህርትን መራኸቢ ብዙሓንን ሓደ ልኡላዊ ሃገር ንዘመናዊ ቅርጺ ይኹን ምዕባለ ሓደ ቋንቋ ወሳኒ ግደ ኣለወን።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4606"} {"headline":"ሃገራዊ መዝሙር","content":"ሃገራዊ መዝሙር\n\nሃገራዊ መዝሙር ማለት, ናይ ሓንቲ ሃገር መዝሙር እያ.","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4609"} {"headline":"ባንዴራ","content":"ባንዴራ\n\nባንዴራ ወይ ሰንደቕ ዕላማ ማለት፣ ብዝተፈላለየ ሕብርታት ኣብ ጨርቂ ዝተሳእለ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ፣ መልእኽቲ ዘለዎ እዩ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4610"} {"headline":"ዳች","content":"ዳች\n\nዳች ቋንቋ ኮይኑ, ብብዝሒ ኣብ ኔዘርላንድ ዝዝረብ ቋንቋ እዩ.","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4611"} {"headline":"ቋንቋ እንግሊዝኛ","content":"ቋንቋ እንግሊዝኛ\n\nእንግሊዝኛ ፊደል\n\nA B C D E F G H I J K L M N O P Q R S T U V W X Y Z\n\na b c d e f g h i j k l m n o p q r s t u v w x y z\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4612"} {"headline":"ሳሞአ","content":"ሳሞአ\n\nሳሞአ, ናይ ርፑብሊክ ኣብ ፖሊነይስ ኢያ። ኣብ ኦስያን ድማ ትርከብ። ደሴት ጥራይ ስለ ዝኾነት ድማ፣ ብማይ ጥራይ ተብኢባ ትርከብ። ኣብ ሳሞአ ልዕሊ 200.000 ሰባት ይቅመጥዋ። ኣብ ሳሞአ ቋንቋ ሳሞአኛ ይዛረቡ። ርእሲ ከተማ ናይ ሳሞአ ኣፕያ ትብሃል። ታላ ዝብሃል ባጤራ ድማ ይጥቀሙ። 99,7% ካብ ቶም ሰባት ድማ ክርስትና ሃይማኖት ኣለዎም። \n\nሳሞአ ኣብ 1962 ካብ ኒው ዘይላንድ ነጻ ኮይና። ኣብዚ ግዜ ግን ሳሞአ ጠቅላላ ናጻ ኢያ።\n\nSection::::ታሪኽ.\nሳሞአ ኣብ 1962 ካብ ኒው ዘይላንድ ነጻ ኮይና። ኣብዚ ግዜ ግን ሳሞአ ጠቅላላ ናጻ ኢያ።\n\nSection::::ዴሞግራፊ.\nኣብዛ ሰእሊ ብቁሩብ ናይ ሳሞአ ሰባት ምስሊ ትርኢ።\n\nSection::::ሃይማኖት.\nኣብ ሳሞአ ኣስታት 98% ናይ ቶም ህዝቢ ክርስትና ሃይማኖ ትኣለዎም።\n\nSection::::ስፖርት.\nፍሉጥ ሃገራዊ ስፖርት ናይ ሳሞአ ሩግብይ ኢዩ። ሳሞአ ዋላ'ኳ ንኡሽቶይ ሃር ከላ፣ ሩግብይ ግን ብዝለዓለ ነጥብታት ኢያ ትጽወት። እታ ሃገር ኩሉ ግዜ ኣብ ቶፕ 20 ካብተን ዓለምወረት ናይ ሩግብይ ፍልጥቲ ኢያ። ከምኡ ውን ኣብ ናይ ዓለም ቻምፕዮን ስዒራ ትርከብ። \n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4613"} {"headline":"ኣፕያ","content":"ኣፕያ\n\nኣፕያ ርእሲ ከተማ ናይ ሃንቲ ካብተን ኦስያን ደሴት ግሩብ ሃገረ ሳሞአ አያ። እቶም ሰባት ኣብኡ ቋንቋ እንግሊዝኛን ሳሞአኛን ይዛረቡ። ኣፕያ ሓንቲ ንእሽቶይ ከተማ ኮይና ኣስታት 38.800 ሰባት ድማ ይቕመጥዋ (2001)። ናይ ሳሞአ ሓንቲ ከተማ ብማይ ዝተከበበት ድማ እያ።\n\nክዑሶ እግሪ ናይ ሳሞአ ኣብ ሳሞአ አጽወት። እቲ ጸወታታት ድማ ኣብ ናይ ሳሞአ ዓቢ ክዑሶ እግሪ ዳ ይጽወት።.\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4614"} {"headline":"ሳሞአኛ","content":"ሳሞአኛ\n\nአቲ ሳሞአኛ (\"Gagana Samoa\") ናይ ኣውስትሮ ቋንቋ ብልምዲ ድማ ቋንቋ ናይ ሳሞአን ኣመሪካ-ሳሞአን (ጥቃ እንግልዘኛ) ቋንቋ እዩ. ኣብ ኣውስትራልያ ውን ተዛብቲ ቋንቋ ሳሞአኛ ኣለዉ, ኒው ዘይላንድ፣ ቶንጋን ዩናይትድ ስተትስ. ኣብ ምሉእ ዓለም ድማ ልዕሊ 370.000 ሰባት ቋንቋ ሳሞእኛ ይዛረቡ.\n\nሳሞአኛ ብ እንግሊዝኛ ፊደል ይጽሓፍ። ኣስታት 15 ፊደላት ድማ ኣለዎ.\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4618"} {"headline":"ታላ","content":"ታላ\n\nታላ ባጤራ ናይ ሳሞአ እዩ. \n\nታላ ድማ ብ: 1, 2, 5, 10, 20, 50 ሳንቲም 1 ታላ አያ. ብወረቀት ድማ 2, 5, 10, 20, 50 en 100 ታላ አዩ.\n\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4619"} {"headline":"ታሪኽ","content":"ታሪኽ\n\nታሪኽ ታሪኽ ማለት፡ ኣብ ሕሉፍ ዘጋጠመ ነገራት ተመሊስካ ትሪእዮ እዩ። ታሪኽ ድማ ብብዝሒ ኣብ መጽሓፍ፣ ብዘመውኢ ድማ ኣብ ኢንተርነ ትክትርእዮ ትክእል። ንኣብነት፣ ዊኪፔዲያ። ታሪኽ ብቋንቋ እንግሊዝኛ ትጽዋዕ። ባህልታትን ህዝባዊን ውን ትሪእየሉ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4624"} {"headline":"ክሪስትያኖ ሮናልዶ","content":"ክሪስትያኖ ሮናልዶ\n\nክሪስትያኖ ሮናልዶ ዶስ ሳንቶስ ኣቫይሮ ( 5 ለካቲት 1985) ተጻዋቲ ናይ ሃገረ ፖርትጋል ህቡብ ተጻዋታይ ቦታ ጸጋም ቅድሚት ኢዩ። ኣብ 2018 ካብ ጋንታ ርያል ማድሪድ ናብ ጋንታ ጁቨንቱስ ግዒዙ። ቀዳመይቲ ጋንታታት ዝኣተወን ጋንታ፡ ስፖርቲን ሊሳቦንን፣ ማንቸስተር ዩናይትድን ይባሃላ። ክሳዕ 2013 ብዋጋ ዝኸበረ ተጻዋታይ ነይሩ። ኣብ 2015 ናይ ዓለምና ብጎ ልዝነፈዐ ናይ ቻምፕዮን-ሊግን አውሮጳ-ሊግን መዳልያን ና ይወርቂ ዋንጫን ተሰሊሙ ነይሩ። ናይ ርያል ማድሪድ ዝነፈዐ ብጎል ውን ንሱ ኢዩ ነይሩ።. \n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4625"} {"headline":"ክርስትና","content":"ክርስትና\n\nቲ' ክርስትና ሃይማኖት ናይ የሱስ አምነት ኢዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4626"} {"headline":"ሃይማኖት","content":"ሃይማኖት\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4630"} {"headline":"ባጤራ","content":"ባጤራ\n\nባጤራ ማለት, ብካልእ ስም ገንዘብ ወይ ውን ሰልዲ ይጽዋዕ.","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4632"} {"headline":"ርእሰ ከተማ","content":"ርእሰ ከተማ\n\nርእሰ ከተማ ማለት ሓንቲ ፍልጥቲ ከተማ ናይ ሓንቲ ሃገር እያ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4635"} {"headline":"ሞሆኖቴሄሃጊሂላሃ","content":"ሞሆኖቴሄሃጊሂላሃ\n\nሞሆኖቴሄሃጊሂላሃ (Monte Águila), ቺሌ.","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4636"} {"headline":"ናቕፋ (ባጤራ)","content":"ናቕፋ (ባጤራ)\n\nናቕፋ፣ ባጤራ ናይ ኤርትራ እዩ። ሓደ ናቕፋ፣ ሚእቲ ሳንቲም እያ።\n\nናቕፋ ኣብ ክልተ ይምቀል። ናይ ወረቐት ገንዘብን፣ ናይ ሓጺን ገንዘብን። ናይ ወረቀት ገንዘብ 1,5,10,20,50ን 100ን እየን። ናይ ሳንቲም ድማ፣ 1,5,10,25ን 50ን 100ን እየን።\n\nብዕለት 08.11.1997 ናቅፋ ወግዓዊ ባጤራ ኤርትራ ኮይኑ።\n\nዓለም-ለኻዊ ኮድ ISO code: ERN እዩ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4642"} {"headline":"ስጳኛ","content":"ስጳኛ\n\nስጳኛ (ብስጳንኛ፦ \"España\")፣ ወግዓዊ ንግስነት ስጳኛ (ብስጳንኛ፦ \"Reino de España\")፣ ኣብ ኤውሮጳ ሃገር እያ። ርእሰ ከተማኣ ማድሪድ እያ።\n\nብፖርቱጋል፣ ፈረንሳን ሞሮኮን ድማ ተከቢባ ትርከብ።\n\nሽሕ ሰባት ኮይኖም። ባንዴራ ስጳኛ ካብ ክልተ ሕብርታት ትርከብ፣ ቀይሕን ብጫን። \n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4810"} {"headline":"ኤዲረን","content":"ኤዲረን\n\nኤዲረን\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4812"} {"headline":"ኣፍሪቃ","content":"ኣፍሪቃ\n\nኣፍሪቃ ድሕሪ ኤስያን ኣመሪካን፣ ሳልሰይቲ ዝዓበየት ክፍለ ዓለም እያ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4813"} {"headline":"ቻይና","content":"ቻይና\n\nቻይና (中國; China) ሓንቲ ዓባይ ሃገር ኮይና፣ ኣብ ኤስያ ትርከብ። ርእሲ ከተማ ናይ ቻይና ሆንግ ኮንግ ትብሃል። ልዕሊ 1 ቢልዮን ሰባት ድማ ይቕመጥዋ። ቋንቋ ቻይና ድማ ይዛረቡ።ብተወሳኺ ድማ ኮቪድ-19 ዝበሃል ተላባዒ ሕማም መበገሲኡ ኣብ ቻይና አዩ::\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4814"} {"headline":"ኤስያ","content":"ኤስያ\n\nኤስያ ሓንቲ ክፍለ ሃገር ኮይና፣ እታ ዝዓበየት ክፍለ ሃገር እያ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4815"} {"headline":"ኢንዶኔስያ","content":"ኢንዶኔስያ\n\nኢንዶስያ፣ ሓንቲ ሃገር ኮይና፣ ኣብ ኣስያ ትርከብ። ርእሲ ከማ ናይ ኢንዶኔስያ ጃካርታትበሃል። ኣብ 16.000 ዝተመቀለት ደሴት ድማ እያ። ቋንቋ ባሃሳ ኢንዶኔስያ ድማ ይዛረቡ። ልዕሊ 16.000 ሽሕ ሰባት ድማ ይቅመጥዋ። ባንዴራ ኢንዶኔስያ ካብ ክልተ ሕብሪ ተሰሪሓ ትርከብ። ቀይሕን ብጫን። ዝበዘሐ ክፋል ሰባት ሃይማኖት ድማ ኣስላም እዩ። \n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4818"} {"headline":"ምስልምና","content":"ምስልምና\n\nምስልምና (ዓረብኛ: اسلام (\"islām\") ወይ الإسلام (\"al-islām\") ሃይማኖት እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4819"} {"headline":"ዋርሳው","content":"ዋርሳው\n\nዋርሳው (ፖሊሽ፡ \"Warszawa) ርእሲ ከተማ\" ናይ ፖላንድ እያ። ኣስታት 1.800.000 ሚልዮን ዝኾኑ\n\n\\ ሰት ድማ ይቅመጥዋ። ሓንቲ ካብተን ዝዓበየት ከተማ ናይ ፖላንድ ድማ እያ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4828"} {"headline":"ኢሳይያስ ኣፈወርቂ","content":"ኢሳይያስ ኣፈወርቂ\n\nኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ወይ ድማ ኣፍወርቂ ወይ ኣፈዎርቂ፣ (ኣስመራ፣ ኤርትራ፤ 2 ለካቲት 1946)፣ ካብ 1991 \"ብተግባር\" ፕረዚደንት ኤርትራ፣ ኤርትራዊ ፖለቲከኛ እዩ።\n\nናይ ኤርትራ ኮትኑ ተመሪጹ። \n\n\"ርእሰ መላኪ\" ዚብል ማዕርግ ተዋሂብዎ ዘሎ ፕረሲደንት፥ ኣብ ሲልጥን ን ልዕሊ 25 ዓመታት ብዘይ ዝኮነ ናይ ህዝባዊ ወይ ባይቶዊ ምርጫ ን ኤርትራ ይመርሓ ይርከብ። ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ፕረሲደንት ኢሰይያስ ኣፍወርቂ ፥ ዝኮነ ናይ ቑመባዊ ዕብየት ክተርኢ ኣይከኣለትን ዘላ። አምበሺ ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት ትጉተት ኣላ። ዘይዉሱን ሃገራዊ ኣገልግሎት፥ ዘይፍትሓዊ ማእሰርቲ፥ ናይ ምንቕስቃስ (ኣብ ውሽቲ ሃገር ኮነ ካብ ሃገር ወጻኢ) ናጽነት፥ ናይ ወፍሪ ናጽነት ፥ ናይ ጋዘጤናንነት ናጽነት፥ ናይ ሃይማኖት ናጽነት፥ ናይ ምምራጽን ተማራጽነት ናጽነት ዝከልከለ ዝንቡዕ ፖሊሲ ኢሰይያስ - ን ነብሱ 'ዲክታቶር' ን ኤርትራ ከኣ 'ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ' ዝብል ሳጓ ኣሰኪሙዋ ይርከብ። \n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4833"} {"headline":"ፕረዚደንት","content":"ፕረዚደንት\n\nፕረዚደንት ማለት ናይ ሓንቲ ሃገር መራሒ ኮይኑ፣ ብፖለቲካ ሃገር ዝቆጻጸራ እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4834"} {"headline":"ካርማ","content":"ካርማ\n\nኣብ እምነተ ሂንዱን ቡድህናን፡ ናይ ሓደ ሰብ ኣብቲ ድሕሪ ሞት ዘሎ ተኸታታሊ ህላወኡ፡ ንጽሕፍቶኡ ዚውስኖ ድምር ናይ ተግባራቱ እዩ ዚብል እምነት።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4848"} {"headline":"መጓዓዝያ","content":"መጓዓዝያ\n\nምጉዓዝ ምስ ሰብ, መጓዓዝያ ምስ እንስሳ ከምኡውን ኣቕሓ ምስ ሓደ ኣከባቢ ካልእ ቦታ ዝዝግበር ምንቅስቓስ እዩ . ብኻልእ ኣገላልጻ ናይ ምጉዓዝ ተግባር ከም ሓደ ኣካል ወይ ከኣ ነገር ምስ ሓደ ነገር C. ክሳብ ነጥቢ B ክሳብ ውሱን ምንቅስቓስ ተባሂሉ ኣቃልዐ.\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4850"} {"headline":"መራኸቢ","content":"መራኸቢ\n\nመራኸቢ ኣብ መንገዲ \"መንገዲ ተጠቀምቲ\" እግረኛ እንኮላይ, ዒዋል ወይ ከኣ መጓሰ, ዜስግኣ, ትራም, ኣውቶቡስ ከምኡውን ካልኦት ድማ ምምሕልላፍ, ብሓደ ጥራይ ንጽል ወይ ከኣ ኣብ ሓደ, ናይ ህዝቢ መንገዲ ብምጥቃም ዕላማታት ከደ.\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4851"} {"headline":"ፊልም","content":"ፊልም\n\nናይ ፊልም ርእየት ናይ ጥበብ ኦርኒክ እዩ ተዋስኦ ኺፈልዮም ኔሩ ሓሳባት ተራኸበ ሓሳብ, ዛንታ, ምስትውዓልጐደሎ, ንስምዒታትካ, መልክዕ ወይ ከኣ ከባቢ ኣየር, ብ ናይ ዝተቐድሐ ወይ ከኣ ብፕሮግራም ሓተመ ዝለዋወጥ ምስልታት, ምስ ድምጺ ካልእ ናይ ስሚዒት ህዋሳት ብሓንሳብ ሶፍትዌራት ንቘልዑ.\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4852"} {"headline":"ዘይምርዕዉ ኩነታት","content":"ዘይምርዕዉ ኩነታት\n\nዘይምርዕዉ ኩነታት እዩ ኵነት ከም ሓደ ሓይሊ ዚገዝእ እዩ ብኣየናይ ማእከላይ መንግስቲ ኣብ መወዳእታ ኣዝዩ ዝዓበየ እዩ.\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4853"} {"headline":"ፈደራላዊ ኩነታት","content":"ፈደራላዊ ኩነታት\n\nፈደራላዊ ኩነታት በዓል ሞያ ፖለቲከኛ ኣካል እዩ ሓድነት ብ ኣድልዎ ባዕሊ-ኣመሓዳሪ መርሐ ኣውራጃታት , ግዝኣታት ወይ ከኣ ካልኦት ዞናታት ትሕቲ ማእከላይ ፈደራላዊ መንግስቲ.\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4854"} {"headline":"ስዊዘርላንድ","content":"ስዊዘርላንድ\n\nስዊዘርላንድ (ብጀርመንኛ፦ \"Schweiz\"፣ ብፈረንሳይኛ፦ \"Suisse\"፣ ብጥልያን፦ \"Svizzera\"፣ ብሮማንሽ፦ \"Svizra\")፣ ብወግዒ ኮንፈደረሽን ስዊዘርላንድ (ብጀርመንኛ፦ \"Schweizerische Eidgenossenschaft\"፣ ብጥልያን፦ \"Confederazione Svizzera\"፣ ብፈረንሳይኛን፦ \"Confédération suisse\"፣ ብ ሮማንሽን፦ \"Confederaziun svizra\")፣ ኣብ ማእከላይ ኤውሮጳ እትርከብ ብባሕሪ ዝተዓጽወት ሃገር እያ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4859"} {"headline":"ኣፍጋኒስታን","content":"ኣፍጋኒስታን\n\nኣፍጋኒስታን (፣ )፣ ብወግዒ እስላማዊ ኢማራ ኣፍጋኒስታን (፣ ፣ ኣብ ኤስያ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ እትርከብ ኣኽራን ዝበዝሖ ሃገር እያ። ካቡል ርእሰ ከተማን ዝዓበየት ከተማን እያ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4864"} {"headline":"ማድሪድ","content":"ማድሪድ\n\nማድሪድ ኣሎ እቲ ርእሰከተማ ከምኡውን ብጣዕሚ ብዙሕ ቍጽሪ ዘለዎም ጭፍራ መራኽብ ስፔን. ብ ውሽጢ ካልኣይ ዝዓበየ ከተማ እያ ሕብረት ኣውሮጳ. እቲ 15 ምምሕዳርከተማ ከደነ 604.3 km2 (233.3 sq mi).\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4865"} {"headline":"ጆርጂያ","content":"ጆርጂያ\n\nጆርጂያ እዩ ኤውሮጳ ሃገር ኣቖመ ብ ምብራቓዊ ኣውሮጳ ዞባ ናይ ኮከሰስ. ብጂኦግራፊያዊ ተኸለ ኣቀማምጣ ኣብ እቲ ብ ምብራቓዊ እስያ ድማ ምብራቓዊ ኣውሮጳ.\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4866"} {"headline":"ሽወደን","content":"ሽወደን\n\nሽወደን ውሽጢ ሃገራትስካንዲናቭያ ሃገር እዩ ሰሜናዊ ኣውሮጳ. እቲ ርእሲ ኣሎ ስቶክሆልም. ንሱ ደንደስ ኖርወይ ፊንላንድ ናብ ምብራቕ, ድማ ኣሎ ከምኡውን ናብ ዴንማርክ ደቡባዊ ምዕራብ ብወገን ብ ልድ ሶርኖ-መትረብ ብወገን ናብ ኜሬሡዶ ጸቢብ.\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4871"} {"headline":"ስዑዲ ዓረብ","content":"ስዑዲ ዓረብ\n\nስዑዲ ዓረብ ኣሎ ሃገር እዩ ምዕራባዊ እስያ ብዙሓት እቲ ናይ ብዙሓት ዓረብ ሓውሲደሴት. ምስ መሬት ስፍሓት ብሓንሳብ ብግምት 2,150,000 km2 (830,000 sq mi). እቲ ርእሲ ኣሎ ሪኘዶ.\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4872"} {"headline":"ምስሪ","content":"ምስሪ\n\nምስሪ ሰባት እዮም 4መን ሰዓበ ወይ ልምምድ ምስልምና, እቲ ዝሄርነት ኣብርሃም ሃይማኖት. ምስሪ ሓሰበ እቲ ቁረነ, ናይ ንቅዱስ መጽሓፍ, ከም ኣቃልዐ ናይ እግዚኣብሄር ቃል ሙኻን ምስልምናዊ ነቢይ ከምኡውን ልኡኽ ሙሀኖአዾ.\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4874"} {"headline":"ኖርወይ","content":"ኖርወይ\n\nኖርወይ ኣሎ ነውሐ ሃገር ሰሜን ምዕራብ ኣውሮጳ ናይመን ግዝኣት ምዕራባዊ ከምኡውን ሰሜናዊ ክፋል የጠቓልል ሃገራትስካንዲናቭያ ሓውሲደሴት; እቲ ኔው ደሴት ናይ ጀን መየነ ድማ እቲ ኣርኪፓለጎ ደሴት ሡቬነበዾ ከምኡውን ኣካል እዮም ኖርወይ.\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4875"} {"headline":"ኡራጓይ","content":"ኡራጓይ\n\nኡራጓይ (ብስጳንኛ፦ \"Uruguay\")፣ ወግዓዊ ምብራቓዊት ሪፓብሊክ ኡራጓይ (ብስጳንኛ፦ \"República Oriental del Uruguay\")፣ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ናይ ደቡብ ኣመሪካ ክፋል እትርከብ ሃገር እያ። ርእሲ ከተማ ሞንተቪደዮ እያ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4879"} {"headline":"ኮሎምብያ","content":"ኮሎምብያ\n\nኮሎምብያ ()፣ ወግዓዊት ሪፓብሊክ ኮሎምብያ ()፣ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ደቡባዊ ኣመሪካ እትርከብ ምስ ባሕሪ ካሪበያ ሃገር እያ። ርእሰ ከተማኣ ቦጎታ እያ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4880"} {"headline":"ኲናት ናጽነት ኤርትራ","content":"ኲናት ናጽነት ኤርትራ\n\nኲናት ንናጽነት ኤርትራ (1962 – 24 ግንቦት 1991) ተጋደልቲ ናጽነት ኤርትራ ካብ 1962 ክሳብ 24 ግንቦት 1991 ኣንጻር ተኸታተልቲ መንግስታት ኢትዮጵያ ዘካየዱዎ ኲናት ንናጽነት እዩ ነይሩ። ኤርትራ ካብ 1880ታት ጀሚሩ ክሳብ ኢጣልያውያን ብልፍንቲ ብመሓዙት ሃገራት ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ 1941 ዝስዓር ኣካል መግዛኣቲ ጥልያን እያ ነይራ። ከምውጽኢቱ ድሕሪ ምዝዛም ካላኣይ ኲናት ዓለም ኤርትራ ንሓጺር እዋን ኣብ ሓለዋ መግዛኣቲ እንግሊዝ ኮይና ክሳብ 1951 ዓ.ም.ፈ. ጸኒሓ። ብድሕሪ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ውሳኔ ምሕላፉ፡ ኤርትራ ኣብ 1952 ቅዋማዊት ሃገር ፈደረሽን ኢትዮጵያን ኮይና። እቲ ፌደሬሽን ንዓሰርተ ዓመት ክጸንሕ ልኡላዊ ውሳኔታት ክህልዎም፡ ከም ፓርላማን ገለ ርእሰ-ምሕደራን ዘለዎ፡ ናይ ገዛ ርእሱ ቋንቋ ማለት ትግርኛ ክገብር ተደንጊጉ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግን ከኣ ኣብ ትሕቲ ዘውዲ ኢትዮጵያ ንክመሓደር ፍልይ ዝበለ ውሳኔ ተዋሂቡ። ኤርትራውያን ድሕሪ ናይ ዓሰርተ ዓመት ፈደረሽን ኤርትራ ናጻ ልዑላዊት ሃገር ክኾኑ ነይርዎም። ይኹን እምበር፡ እቲ እንዳዛሕተለ ዝኸይድ ዝነበረ ርእሰ-ምሕደራ ኤርትራን እናዓበየ ዝኸይድ ዝነበረ ጽልኣት ኣንጻር ንጉሳዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ 1962 ብገለ ምንቕስቃሳት ኤርትራ ንናጽነት ምንቅስቃስ ምትኹታኽ ተጀሚሩ። \n\nSection::::ገድሊ.\nኣብ 1961 ዝጀመረ ዕጥቃዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዙሕ ታሪኻዊ መድረኻት፡ ንሓድሕዶም ዝጸላለው ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ምዕባለታት ሰጊሩ’ዩ፡ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ነዊሕን መሪርን ቃልሲ፡ ኣብ ግንቦት 1991፡ ብኣንጸባራቒ ወተሃደራዊ ዓወት፡ ብናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ተደምዲሙ። እቲ ኣብ ዓመተ 1990-1991፡ ኣብ ግንባራት ጊንዳዕን ደቀምሓረን ዝተኻየደ ጽዑቕ ናይ ምርብራብ ውግኣት፡ መጥቃዕቲታት ደንከልን ውሽጢ ኢትዮጵያን፡ ናይ መወዳእታ ግጥም ግንባር ደቀምሓረን ምትሓዝ ኣስመራን እምበኣር፡ ድምር ውጽኢት ናይቶም ዝቐደሙ ኣገደስቲ ወተሃደራዊን ፖለቲካዊን ምዕባለታት እዩ።\n\nSection::::ምዕባሌታት.\nኣብ ባሕቲ መስከረም ናይ 1961 ብውሑዳት ተጋደልቲ ዝተወልዐ ሰውራ ኤርትራ፡ ዝተሓላለኸ ጽንኩር እዋናት ሰጊሩ፡ በብቕሩብ ሰብኣዊን ንዋታዊን ዓቕሚን ናይ ኲናት ተሞኩሮን እናደለበ ብምኻድ፡ ኣብ መድረኽ 1977-1978 ንዝሰፍሐ መሬት ኤርትራ ሓራ ከውጽእ ክኢሉ ነበረ። እንተዀነ ብሰንኪ ገዚፍ ምትእትታው ሕብረት ሶቭየት ወተሃደራዊ ሚዛን ሓይሊ ስለዝተቐያየረ፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ነቲ ብደገፍን ምኽሪን ናይ ደገ ሓይልታት፡ ኣብ ጸሊም ኣፍሪቃ፡ ብዕብየቱን ዘመናውነትን ዝበርትዐ ሰራዊት ክሃንጽ ዝኸኣለ ተሰነይን ዓሊግደርን ደጊሙ ተቘጻጸረን። በዚ ዓወት’ዚ ፍናን ስለዝረኸበ ድማ፡ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ተዳኺሙ እንከሎ እግሩ እግሩ ስዒብካ ምጥቅዑ ብዝብል ሓሳብ፡ ዳግም ናብ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ተመሊሱ፡ ብ10 ጥቅምቲ 1985 ብግንባራት ናቕፋን ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕልን “ወፍሪ ባሕሪ-ነጋሽ” ዝተሰምየ ሻሙናይን ናይ መወዳእታን ወራር ኣበገሰ። ድሕሪ ናይ ክልተ ወርሒ ሓያል ምርብራብ ከኣ፡ ሰራዊት ደርግ ከቢድ ክሳራ ተሰኪሙ ሸቶኡ ምውቃዕ ስኢኑ ዘፍ በለ። መድረኽ 1986-1987 ህዝባዊ ሰራዊት ንዓቕሚ ጸላኢ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ምድኻም ንምውራድ፡ ኣብ ድሕሪ መስመር ጸላኢ፡ ብዙሕ ደባይን ተንቀሳቕሲን ውግኣትን ስርሒታትን ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን’ዩ። በዚ ከኣ ጸላኢ ውሽጢ መስመሩ ኣብ ምሕላው ተጸሚዱ፡ ዓበይቲ ወፍሪታት ምግባር ስኢኑ ኣብ ምክልኻል ተሓጺሩ ተረፈ።\n\nSection::::መድረኽ ስትራተጂያዊ መጥቃዕቲ.\nኣብ መድረኽ ጃላነት፡ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ብዘካየዶ ብዙሕ ስርሒታት ጸብለልታ እናተጓናጸፈ ዝመጸ ህዝባዊ ሰራዊት፡ ናብ መድረኽ ስትራተጂያዊ መጥቃዕቲ ብምስግጋር፡ ኣብ መጋቢት 1988፡ ንግንባር ናቕፋ ብምፍራስ ኣብቲ ግንባር ንኣስታት 10 ዓመታት ብቐዋሚ ዓሪዱ ክረባረብ ንዝጸንሐ ብስም “ናድው እዝ” ዝፍለጥ ገዚፍ ሰራዊት ኣብ ከበባ ኣእትዩ ብምድምሳስ፡ ንኣፍዓበት ሓራ ዝገበረ ዕዉት ታሪኻዊ ስርሒት ኣካየደ። ኣብዚ ውግእ’ዚ ንመጀመርታ ግዜ፡ ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ደርግ ተሰሊፎም ካብ ዝነበሩ ሶቭየታውያን ወተሃደራዊ ኣማኸርቲ ክልተ ኮሎኔላትን ሓደ ሓለቓ ሚእቲን ተማረኹ። በቲ ስርሒት ህዝባዊ ሰራዊት፡ ቅድሚኡ ዓጢቕዎ ዘይፈልጥ፡ 130 ሚሊ ሜትር መዳፍዕ፡ BM 21 ወንጫፊ ሮኬትን ልዕሊ 50 ታንክታትን ዝተፈላለየ ካልእ ኣጽዋርን ብብዝሒ ተተኰስትን ማረኸ። እዚ ኣጽዋራት’ዚ ምስቲ ቅድሚኡ በብግዜኡ ዝማረኽ ዝነበረ ኣጽዋራት ተደሚሩ ከኣ፡ ንመካናይዝድ ዓቕሚ ህዝባዊ ሰራዊት፡ ዝያዳ ከምዝጉልበት ገበሮ።\n\nእዚ ስትራተጂያዊ መጥቃዕቲ’ዚ ንመጀመርታ ግዜ ገዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ህላወኦም ኣብ ኤርትራ ክቕጽል ድዩ ኣይቅጽልን ምጥርጣር ዝፈጠረሎም እዩ ነይሩ። በዚ ድማ፡ ደድሕሪ’ቲ ስርሒት ብ31 መጋቢት 1988 ስርዓት ደርግ ህጹጽ ኣኼባ ብምጽዋዕ፡ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገን ናይ ክተት ኣዋጅን ኣውጽአ። በቲ ሽዑ ዝወጸ ናይ ክተት ኣዋጅ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ሰራዊት ተፋንዮም ዝነበሩ ኣባላት ምዱብ ሰራዊት ይኹን ብሄራዊ ኣገልግሎት (ሃገራዊ ኣገልግሎት) ናብ ሰራዊት ክምለሱ እንከለው፡ ኣብ ታዕሊም ዝነበሩ ሓደስቲ ወተሃደራት እውን፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ታዕሊሞም ወዲኦም ኣብ ቅድመ ግንባር ከምዝስለፉ ተገብረ። ብዘይካ’ዚ ደርግ፡ ሽዑ ንሽዑ ምስ መንግስቲ ሶማል ናይ ሰላም ስምምዕ ብምፍራም፡ ኣብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ካብ ዝነበረ ሰራዊቱ፡ ዓቢ ክፋል ናብ ኤርትራ ኣግዓዞ። ካብ ትግራይን ምዕራብ ኢትዮጵያን እውን፡ ሰለስተ ክፍለጦራት ብህጹጽ ናብ ኤርትራ ኣእተዎም። ኣብ ትግራይ ንሓለዋ ዝገደፎ ዓቕሚ ኣብ ውሱናት ከተማታት ስለ ዝተሓጽረ ድማ፡ ብዙሕ ከባቢታት ትግራይ ካብ ቁጽጽር ሰራዊት ደርግ ሓራ ወጸ። ብዘይካ’ዚ ስርዓት ደርግ፡ ኣብ ምዕራብ ኤርትራ፡ ካብ ከረን ክሳብ ተሰነይ ኣሰሊፉዎ ዝነበረ ሰራዊት ብህጹጽ ስሒቡ፡ ግስጋሰ ህዝባዊ ሰራዊት ንምዕጋት፡ ኣብ ግንባር ከረን ኣሰለፎ። ብጽልዋ ስርሒት ምድምሳስ እዚ ናደው ከኣ፡ ከተማታት ተሰነይ፡ ባረንቱን ኣቑርደትን ሓራ ወጺአን፡ ሰራዊት ጸላኢ ካብ ባርካ ጠቕሊሉ ተጸርገ። ድሕሪ ምድምሳስ ናድው እዝ፡ ህዝባዊ ግንባር ዝጨበጦ ዓወት ንምምንዛዕ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝተንቀሳቐሰ ሰራዊት ብዝሑ ልዕሊ 90,000 ይበጽሕ ነበረ። ደርግ ነዚ ዓቕሚ’ዚ ኣሰሊፉ ኣብ ግንባር ከረን ናይ ሞትን ሕየትን ውግእ ኣካየደ። እንተኾነ ህዝባዊ ሰራዊት ዝተጓናጸፎ ዓወት ክምንጥል ኣይተኻእሎን። ብኣንጻሩ ህዝባዊ ሰራዊት ብምብራቕ፡ ንሳሕል ምስ ሰሜናዊ ባሕሪን ጎላጉል ሰምሃርን ዘራኽብ ሰፊሕ ቦታታት ክቈጻጸር ክኣለ። ሰራዊት ህ.ግ ነዚ ቦታታት’ዚ ምቁጽጻሩ ድሒሩ ንስርሒት ፈንቅል ባብ ዘርሓወ ዓቢ ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ዝነበሮ ፍጻመ እዩ። በይዝ ንምቍጽጻር ሓያል ደማዊ ኲናት ተኻየደ። ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያን፡ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ተደፊኦም ኣብቲ መዓስከር ዝዓረዱ ወተሃደራትን ታንክታትን ጸላኢ፡ ብዘይካ ንባሕሪ ምጥሓል ካልእ መዋጽኦ ስለ ዘይነበሮም ኣትኪሎም ተዋግኡ። ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ኣደዳ ሞት፡ መቝሰልቲ፡ ምምራኽን ዕንወትን ኰይኖም ተሳዕሩ። ናቫል-በይዝ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ህዝባዊ ሰራዊት ኣተወ። ድሕሪ’ዚ እቲ እናተዀብኮበ ንጥዋለት ዝኣተወ ሰራዊት ደርግ፡ ሰላማዊ ህዝቢ ጅሆ ሒዙ ኣብ ኣፍደገ ስጋለት ቀጣን ዓረደ። እዚ ኣብ ውሽጢ ጥዋለት ተሓጺሩ ዝተረፈ ሰራዊት ደርግ፡ “ረዳት ሓይሊ ብጊንዳዕ ፈንጢሱ ክመጸና’ዩ” ዝብል እምነት ስለዝነበሮ ኣትኪሉ ክዋጋእ ፈተነ። ስጋለት ቀጣን ድማ ዘይትስገር ሓዊ ኰነት።\n\nእዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እተን ኣብ ኣፍደገ ጊንዳዕ ከባቢታት ደንጎሎ ላዕላይ ክሳብ ኣጻድፍ ሰሜናዊ ባሕሪ ተዘርጊሐን መከላኸሊ መስመር ዝሓዛ ኣሃዱታት፡ ምስቲ ምጽዋዕ ንምድሓን ካብ ዝተፈላለየ ግንባራት ብህጹጽ ተሳሒቡ ዝመጽአ ገዚፍ ሓይሊ ጸላኢ ኣብ ከቢድ ውግእ ኣተዋ። ጸላኢ ነዚ ሓድሽ ግንባር ንምፍንጣስ ዝፍትኖ ዝነበረ ጽዑቕ መጥቃዕቲታት ንምፍሻል ከኣ ኣብ ቀጻሊ ናይ ምርብራብ ግጥም ተጸምዳ። ስጋለት ቀጣን ንምስጋር፡ ህዝባዊ ሰራዊት ፈለማ ብታንክታት ዘካየዶ ፈተነ ዕውት ኣይነበረን። ብ15 ለካቲት ለይቲ ግን ኣጋር ሰራዊት፡ መካናይዝድን ሓይሊ-ባሕሪን ህዝባዊ ሰራዊት ውሁድን ዕዉትን ስርሒት ፈጸሙ። ኣባላት ሓይሊ-ባሕሪ፡ ጸላም ጉልባብ ብምግባር፡ ካብ ግራርን ናቫል-በይዝን፡ ብፈጣናት ጀላቡ 11 ግዜ ተመላሊሶም ዝተወሰኑ ተጋደልቲ ናብ ርእሲ ምድሪ ኣሰገሩ። እቲ ዝሰገረ ውሱን ሓይሊ ህዝባዊ ሰራዊት፡ ጸላኢ ብዘይተጸበዮ ኣንፈት ብድሕሪት ተዅሲ ምስ ከፈተ፡ ሰራዊት ጸላኢ ዝርግርግ ኣተዎ። እዚ እናኾነ እቶም ብስጋለት ቀጣን ክሰግሩ ዝተመደቡ ታንክታትን ኣጋር ሰራዊትን፡ ብብርቱዕ ደብዳብ ተሰንዮም እንዳ በረድ በጺሖም ጥዋለት ኣተዉ። ምሉእ ለይቲን ንጽባሒቱ ረፋድን ናይ ከተማ ውግእ ድሕሪ ምክያዱ ከኣ፡ ህዝባዊ ሰራዊት፡ ነቶም ሰላማዊ ህዝቢ ጀሆ ሒዞም ኣብ ጥዋለትን ውሽጢ ባጽዕን ዓስኪሮም ዝቐነዩ ወተሃደራት ቀቲሉን ማሪኹን፡ ምጽዋዕ ምሉእ ብምሉእ ሓራ ገበራ። ስርሒት ፈንቅል ብሓርነት ምጽዋዕ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ “2ይ ኣብዮታዊ ሰራዊት” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰራዊት ደርግ ብመሬትን ባሕሪን ኣብ ምሉእ ከበባ ስለዝኣተወ፡ ስርዓት ደርግ ካብ ማእከል ኢትዮጵያ ብነፈርቲ ኣጽዋርን ሰራዊትን እናደረበ፡ ግንባር ጊንዳዕ ንምስባር፡ ቀጻሊን ትንፋስ ዘይህብን መጥቃዕቲታት ከካይድ ጀመረ። ዕላማ ናይቲ ካብ መጋቢት ክሳብ ግንቦት 1990 ዘካየዶ ዘይቋርጽ መጥቃዕቲታት፡ ብቐዳምነት ንግንባር ጊንዳዕ ሰይርካ መስመር ምጽዋዕ ምቍጽጻር፣ ብዓቢኡ ድማ ነቲ ግንባር ድሕሪ ምፍራስ፡ ብጎላጉል ሰምሃር ንሰሜን ብምግስጋስ፡ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ሳሕል ከይተመልሰ፡ ኣብቲ ዝኣተዎ ጐላጉል ሰምሃር ከርዲንካ ምድምሳስ ነበረ። ነዚ ውጥን’ዚ ንምዕዋት ጸላኢ፡ ኣብ ግንባር ከረንን ካልእ ከባቢታት ኤርትራን ዝነበረ ዝበዝሕ ሓይሉ ናብ ግንባር ጊንዳዕ ከሰልፎ እንከሎ፡ ኣሃዱታት ህዝባዊ ግንባር’ውን በብቝሩብ ናብቲ ሓድሽ ግንባር ጊንዳዕ ይግዕዛ ነበራ። ብኸምዚ ከኣ ግንባር ጊንዳዕ ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ናብ ዓውዲ ደማዊ ውግእ ተቐየረ። \n\nSection::::ምምስራት ግንባር.\nግንባር ጊንዳዕ፡ ከም ኣካል ስርሒት ፈንቅል፡ ካብ ኣስመራን ካልእ ከባቢታት ኤርትራን ክመጽእ ዝኽእል ረዳት ሓይሊ ንምዕጋት ዝተመስረተ ግንባር እዩ። ብ8 ለካቲት 1990 ስርሒት ፈንቅል ጀሚሩ፡ ህዝባዊ ሰራዊት ንጽርግያ ኣስመራ-ምጽዋዕ ኣብ ጋሕቴላይ ምስ በተኾ፡ ውግእ ናብ ክልተ ኣንፈት’ዩ ተመቒሉ። ክፍለ-ሰራዊት 85፡ ካብ ጋሕቴላይ ናብ መገዲ ኣስመራ ብምቕናዕ፡ ብ9 ለካቲት ደንጎሎ ታሕታይ ተቘጻጺረ። ምስ ኣሃዱታት ክፍለ ሰራዊት 61 ብምትእስሳር ከኣ፡ የማን ካብ ጊንዳዕ ክሳብ ኣጻድፍ ሰሜናዊ ባሕሪ መከላኸሊ መስመር ከምዝተሓዝ ተገብረ። ወጋሕታ 10 ለካቲት፡ ህዝባዊ ሰራዊት እንደገና መጥቃዕቲ ፈንዩ፡ ንደንጎሎ ላዕላይ ተቘጻጸረ። ድሕሪ’ዚ ብርጌዳት 85፡ ብቕልጡፍ ኣብ ከባቢ ጊንዳዕ ካብ ቦነስፒሮ ንጸጋም ዝርከብ ኣገዳሲ ጎቦ ጋሕያት ንምሓዝ ምስ ጸላኢ ኣብ ምርብራብ ኣተዋ። ክፍለ-ሰራዊት 61 ብወገኑ፡ የማን ካብ ጊንዳዕ ክሳብ ሰሜናዊ-ባሕሪ ጸላኢ ዘካየዶ ተደጋጋሚ ናይ ምፍንጣስ ፈተነታት ኣምከነ። ኣብዚ ዕለት’ዚ ገለ ኣሃዱታት ክፍለ-ሰራዊት 85 ንሸነኽ ርእሲ-ዓዲ ተንቀሳቒሰን፡ ምስ ኣሃዱታት ክፍለ-ሰራዊት 61 ብምእሳር፡ ኣብ ምክልኻል ወዓላ።\n\nSection::::ምድልዳል ግንባር.\nደርግ፡ ነቲ ድሕሪ ስርሒት ፈንቅል ኣብ ግንባር ጊንዳዕ ዝዓረደ ህዝባዊ ሰራዊት ክፍንጥስ ካብ 1 መጋቢት 1990 - ክሳብ 27 ሚያዝያ 1990፡ ዝተፈላለየ ኣስማት ዘጠመቖም ዓበይቲ ወፍሪታት’ዩ ኣካይዱ። ነዚ ወፍሪታት’ዚ ንምፍሻል ከኣ፡ ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ጽዑቕ ናይ ምክልኻል ውግእ ተጸምዳ። ጸላኢ ክፍለ-ጦራት እናበራረየ ማዕበላዊ መጥቃዕቲታት እናዛየደ ኣብ ዝኸደሉ፡ ህዝባዊ ግንባር ብወገኑ ነተን ካብ 13 ለካቲት 1990 ጀሚረን ካብ ከባቢ ጊንዳዕ ክሳብ ሰሜናዊ-ባሕሪ ኣብ ዝዝርጋሕ መስመር ኣብ ብርቱዕ ምትሕንናቕ ዝኣተዋ ክፍላተ-ሰራዊት 61ን 85ን ተወሰኽቲ ኣሃዱታት ይድረበለን ነበረ። ፈለማ፡ ብ13 ለካቲት ብርጌድ 49 ናይ ክፍለ ሰራዊት 96 ካብ ምጽዋዕ ናብ ደንጎሎ ላዕላይ ክትደርብ እንከላ፡ ንጽባሒቱ ከኣ ብርጌድ 87 ናይ ክፍለ-ሰራዊት 61 ካብ ግንባር ሓልሓል ኣብ ጋሕያት ተደረበት። ስዒቡ ብ20 ለካቲት፡ ክፍለ-ሰራዊት 70 ብምሉኡ ካብ ምጽዋዕ፡ ክልተ ብርጌዳት ናይ ክፍለ-ሰራዊት 96 ከኣ፡ ካብ ሮራመንሳዕ፡ ናብቲ ግንባር ኣተዋ እሞ፡ ግንባር ጊንዳዕ ደልዲሉ ከምዝቐውም ተገብረ።\n\nከምዚ ኢሉ፡ ህዝባዊ ሰራዊት፡ ማዕረ ማዕረ’ቲ መጥቃዕቲታት ጸላኢ ንምፍሻል ዘካይዶ ዝነበረ ሓያል ጥምጥም፡ ዕርድታት እናሰርሐ፡ መከላኸሊ መስመሩ ከደልድል ጀመረ። ጸላኢ ብወገኑ፡ ማእለያ ዘይብሉ ኣጽዋራት ኣሰሊፉ፡ ገዛእቲ ቦታታት ብምቁጽጻሩ ዝሃቦ ብልጫ ተጠቒሙ፡ ዕርድታት ህዝባዊ ሰራዊት ንምስባር፡ ዝተፈላለየ ኣስማት ዘጠመቖም፡ ዓበይቲ ወፍርታት ብተኸታታሊ የበግስ ነበረ። ገለ ካብቶም ዓበይቲ ወፍርታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፦\n\nSection::::“ዘመቻ ምጽዋዕ”.\nኣዘዝቲ ሰራዊት ደርግ፡ ግንባር ጊንዳዕ ንምስባር፡ ፈለማ “ዘመቻ ምጽዋዕ” ዝሰመዩዎ ወፍሪ እዮም፡ ካብ 1 ክሳብ 03 መጋቢት 1990 ኣካይዶም። እዚ ወፍሪ’ዚ፡ ብየማናይን ጸጋማይን ክንፊ ግንባር ጊንዳዕ ከምኡ’ውን ብሰሜናዊ-ባሕሪ ዝተፈነወ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኰይኑ፡ ብብርቱዕ ደብዳብ መዳፍዓትን ነፈርቲን ዝተሰነየ ነበረ። ብ01 መጋቢት፡ ወጋሕታ ሰዓት 6፡00፡ ጸላኢ ኣብ ብምሉኡ’ቲ ግንባር ጽዑቕ ደብድብ ከቢድ ብረት ድሕሪ ምክያድ፡ ብወገን ሰሜናዊ-ባሕሪ ብዘሰለፎ መበል 15 ክፍለ-ጦር፡ ረፋድ፡ ንግራት-ኣውሊዕን ምትካል-ድኳንን ዝበሃሉ ቦታታት ኣጥቅዐ። ፈለማ ኣብዚ ቦታ’ዚ ዓሪደን ዝነበራ ኣሃዱታት ክፍላት-ሰራዊት 61ን 85ን ክዀና እንከለዋ፡ ጸላኢ ብሰሜናዊ-ባሕሪ ከጥቅዕ ምዃኑ ምስ ተፈልጠ ግን፡ ብርጌድ 98 ናይ ክፍለ-ሰራዊት 96 ብ26 ለካቲት ካብ ጸጋማይ ግንባር ጊንዳዕ ብምውራድ፡ ከም ትሕጃ ኣብቲ ከባቢ ከም ትጸንሕ ተገይሩ ነበረ። ኣብቲ ናይ ቀዳማይ መዓልቲ መጥቃዕቲ፡ ኣሃዱታት ክፍለ ሰራዊት 85ን 96ን ንመጥቃዕቲ ጸላኢ ክምክታ ወዓላ። ብሸነኽ ኣሃዱታት ክፍለ-ሰራዊት 61 ዘጥቅዐ ጸላኢ ድማ፡ ናብቲ ክሕዞ ዝነቐለ ቦታታት ከይበጽሐ ተጸፊዑ ተመልሰ። ይኹን’ምበር፡ ንጽባሒቱ ዝወጠኖ መጥቃዕቲ መበገሲ ክዀኖ ዝኽእል ቦታታት ሒዙ ኣዝጊቡ ሓደረ። ኣብዚ ዕለት’ዚ ብመንተብለን ሰለሙናን ዝተንቐሳቐሰ መበል 10ይ ክፍለ-ጦር ጸላኢ’ውን ብኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት ተወቒዑ ተመልሰ።\n\nእዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ጸጋማይ ክንፊ ግንባር ጊንዳዕ፡ ጸላኢ ንክፍለ-ጦር 19 ኣሰሊፉ፡ ሰዓት 7፡45 ሓያል መጥቃዕቲ ከፈተ። ኣቐዲማ ዝኣተወት ብርጌድ ሰራዊት ጸላኢ፡ ሸቶኣ ክትሃርም ስለ ዘይከኣለት ካልእ ብርጌድ ተደሪባታ፡ ውግእ ቀጸለ። ህዝባዊ ሰራዊት ጸኒዑ ስለ ዝመከተ ግን ንድሕሪት ተመልሳ። ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት ኣብዚ ናይ ምክልኻል ውግእ፡ መጥቃዕቲ ጸላኢ ኣብ ምምካት ከይተሓጽራ፡ ጸላኢ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ምክልኻል ንኽጽመድ ዘገድዶ ጸረ-መጥቃዕቲ እናፈጸማ እየን ግስጋሰ ጸላኢ ዓጊተንኦ።\n\nኣብዚ ቀዳማይ መዓልቲ፡ ብሰንኪ ግመን ዒፍዒፍታን ጸላኢ ከምቲ ዝወጠኖ ጽዑቕ ደብዳብ ነፈርቲ ከካይድ ኣይከኣለን። ግመ ኣብ ዝኸፍተሉ ዝነበረ እዋን ግን፡ ነፈርቲ ንሰራዊተን ዓቢ ደገፍ ይገብራሉ ነበራ። ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ናይዚ ወፍሪ’ዚ፡ ነፈርቲ ውግእ፡ ኣብ ከባቢ በዓረዛ ንመከላኸሊ መስመር ህዝባዊ ሰራዊት ሸሞንተ ግዜ ተመላሊሰን ደብደባ። ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ጸረ-ነፈርቲ ሚሳይል ህዝባዊ ግንባር ንምዕናው’ውን ብዙሕ ግዜ ተመላሊሰን ደብደባ።\n\nንጽባሒቱ ጸላኢ ብወገን ሰሜናዊ-ባሕሪ፡ ካብቲ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ከጥቅዕ ዝፈተነሉ ቦታታት ንጸጋም ክሳብ “ርእሲ-ሓርማዝ” ዝተባህለ ከባቢ ብምግፋሕ መጥቃዕቱ ቀጸለ። ኣብዚ ናይ ካልኣይ መዓልቲ ውግእ፡ በጦሎኒ ናይ ክፍለ-ሰራዊት 85 ብብዝሒ መውጋእትን መስዋእትን ሓይላ ስለ ዝተጓደለ፡ እቲ ቦታ ብብርጌድ 98 ናይ ክፍለ-ሰራዊት 96 ከም ዝሽፈን ተገብረ። ኣብዚ ዕለት’ዚ ብጸላኢ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ’ውን እንተዀነ ፈሺሉ ተረፈ።\n\nኣብዚ ካልኣይ መዓልቲ፡ እቲ ግንባር ብግመ ተዓፊኑ’ኳ እንተ ነበረ፡ ቀትሪ ከባቢ ሰዓት 1፡00 ግመ ስለ ዝኸፈተ፡ ክልተ ነፈርቲ ውግእ ደብዳብ ንምክያድ ደበኽ በላ። እንተዀነ ብኡ ንብኡ ሓንቲ ካብተን ነፈርቲ፡ ሚግ-23 ቍ.1302 ብኣሃዱታት ጸረ-ነፈርቲ ህዝባዊ ሰራዊት ስለ ዝተወቕዐት ክሃድማ ተቐሰባ። ኣብ ከባቢ ኣስመራ ክበጽሓ ከለዋ፡ ኣብራሪ (ፓይለት) ናይታ ተወቒዓ ትነድድ ዝነበረት ነፋሪት ሌ\/ኮ ክንፉ ሃብተወልድ ዘሊሉ ክድሕን እንከሎ፡ ብኣንጻሩ፡ እታ ኮሎኔል ጥላሁን ቦጋለ ዝመርሓ ዝነበረ ካልኣይቲ ሚግ-23 ቍ.2294 ምስታ እናነደደት ብዘይ መራሒ ኣብ ሰማይ ዕንክሊል ትብል ዝነበረት ነፋሪት ተጋጨወት’ሞ፡ ንሱን ነፋሪቱን ኣብ ከባቢ ጸሎት ተኸስኪሶም ወደቑ።\n\nኣብ ግጥም 2 መጋቢት፡ ነቲ ብሸነኽ ሰሜናዊ ባሕሪ ዘጥቅዕ ዝነበረ ሓይሊ ጸላኢ ንምጉንዳብ፡ ከምኡ’ውን ንመዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ውጽኢታዊ ርሕቀት ተዅሲ መዳፍዕ ንምእታው ኣብ ዘኽእል ቦታ ንምብጻሕ፡ ብጸጋማይ ግንባር ከባቢ ዓዶሮሶ፡ ክፍለ-ሰራዊት 88፡ ሓያል መጥቃዕቲ ፈንዩ፡ ኣገደስቲ ቦታታት ተቘጻጸረ። ኣብዚ ከባቢ’ዚ ድማ ብክልቲኡ ወገን ክሳብ 5 መጋቢት፡ ብመጥቃዕቲን ጸረ-መጥቃዕቲን ርሱን ግጥም ቀጸለ።\n\nኣብ ሳልሳይ መዓልቲ፡ ጸላኢ ሓያል መጥቃዕቲ ፈንዩ፡ ብዝተፈላለየ ሸነኻት ሓያሎ ቦታታት ክቈጻጸር ክኢሉ ነበረ። እዚ ጻዕቂ ደብዳብ ሞርታራትን መዳፍዕን ጉልባብ ገይሩ ናብ ስትራተጂያዊ ቦታታት ዝተጸግዐ ሓይሊ ጸላኢ፡ ቀልጢፉ ክጽረግ ስለዝነበሮ ከኣ፡ ኵለን ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት በብሸነኸን ጸረ-መጥቃዕቲ ብምፍናው ደፊአን መለሳኦ።\n\nኣብቲ ሳልስቲ፡ ከም መናውራ ናይቲ ኣብ ግንባር ጊንዳዕ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት፡ ኣብ ግንባር ከረን ብክልቲኡ ወገን ምልውዋጥ ተዅሲ ከቢድ ብረት ይካየድ ነበረ። ብዘይካ’ዚ ኣብ ከባቢ ዓረዛ፡ ለይቶን፡ ደቆጽንዓን እውን ንኣሽቱ ረጽምታት ነበረ። ምስዚ “ዘመቻ ምጽዋዕ” ዝተሰምየ ወፍሪ’ዚ ብዝተኣሳሰረ፡ ኣብ ጸጋማይ ግንባር ጊንዳዕ እውን፡ ኣብ ከባቢ ኩበ ናይ ደርግ ክፍለ-ጦራት 19ን 17ን እናተቐያየሩ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲታት የካይዱ ነበሩ። ስትራተጂያዊ ጎቦ ኩበ፡ ብ25 ለካቲት’ዩ፡ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ጸላኢ ዝኣተወ። ግስጋሰ ጸላኢ ንምዕጋትን ኩበ ደጊምካ ንምቍጽጻርን ከኣ፡ ክሳብ 10 መጋቢት ዝያዳ ኣብ ምክልኻል ዘድሃበ መሪር ውግእ ተኻየደ። ድሕሪ’ዚ ጸላኢ ከቢድ ክሳራታት ወሪድዎ መጥቃዕትታቱ ክዝሕል ምስ ጀመረ፡ ክፍለ-ሰራዊት 70ን ሓደ ብርጌድ ክፍለ-ሰራዊት 96ን (ብርጌድ 91) ኩበ ንምቍጽጻር ጸረ-መጥቃዕቲ ፈነው። እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣቐዲሙ ብ8 መጋቢት ክካየድ’ኳ ተመዲቡ እንተ ነበረ፡ ክሳብ ዕለት 10 ከየቋረጸ ዝናብ ይዘንብ ስለ ዝነበረን መሬት ብግመ ስለ ዝተሸፈነን፡ ክትግበር ኣይከኣለን። ህዝባዊ ሰራዊት፡ ግመ ዝተቐንጠጠሉ ኣጋጣሚታት፡ ሞርታራቱን መዳፍዕቱን ኣብ ዒላማታት ጸላኢ ንምእሳር ክጥቀመሉ እንከሎ፡ ጸላኢ ብወገኑ፡ ኣብ ምክልኻል ኣድሂቡ ድፋዕ ኣብ ምስራሕን ነቶግቲ ኣብ ምቕባርን ይጓየ ነበረ። 11 መጋቢት ወጋሕታ ግመ ስለ ዝኸፈተ፡ ሰዓት 6፡00 ንግሆ ተጋደልቲ፡ ብጽዑቕ ደብዳብ ሞርታራትን ረሻሻትን ተሰንዮም፡ ብቕጽበት መጥቃዕቲ ጀመሩ። እቲ ድሮ ሸቶኡ ኣሲሩ ዝነበረ ሞርታራትን መዳፍዓትን፡ ኣብቲ ውግእ ዝለዓለ ተራ እዩ ተጻዊቱ። ነዚ ዘረጋግጽ ተጋደልቲ ንኩበ ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ ኣብቲ ቦታ ዝጸንሐ ዘሰንብድ ብዝሒ ምዉታት ወተሃደራት ጸላኢ እዩ።\n\nእዚ ስትራተጂያዊ ቦታ’ዚ ኣብ ኢድ ተጋደልቲ ምእታዉ፡ ኣብ መላእ’ቲ ግንባር ክፈጥሮ ዝኽእል ለውጢ ዝተረድኦ ጸላኢ፡ ደጊሙ ንምቁጽጻሩ፡ ንጽባሒቱ 12 መጋቢት ንክፍለ-ጦር 19 ኣሰሊፉ ሓያል ፈተነ ክገብር ወዓለ። ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት፡ ዘጋጥመን ዝነበረ ከቢድ ክሳራ ተጻዊረን ተሪረን ስለ ዝመከታ ግን፡ እቲ ፈተነ ክዕወት ኣይከኣለን። ውግእ ኩበ፡ ከቢድን ተጻዋርነት ዝሓትትን ስለ ዝነበረ፡ ወተሃደራት ጸላኢ ብብዝሒ፡ ንነብሶም ባዕሎም እናወግኡ ካብቲ ውግእ ይእለዩ ከምዝነበሩ ናይ ሽዑ ሰነዳት ጸላኢ ይሕብሩ። እዚ ተርእዮ’ዚ ኣብ ኵለን ኣሃዱታት ካልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት ዝርአ’ኳ እንተ ነበረ፡ ኣብቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጸ ክፍለ-ጦር 17ን ሚሊሻ ሰራዊትን ግን ኣዝዩ ግኑን ከምዝነበረ ጸብጻባት ጸላኢ የመልክት።\n\nብኣጠቓላሊ፡ ግንባር ጊንዳዕ ንምስባር፡ ብሰሜናዊ ባሕሪ ብመንተብለን ሰለሙናን፣ ብጸጋማይ ክንፊ ከባቢ ኩበ፣ ብየማናይ ክንፊ ከባቢ ርእሲዓዲ ዝተኻየደ ቀዳማይ መጠነ-ሰፊሕ “ዘመቻ ምጽዋዕ”፡ ክፍለጦራትን ተደረብቲ ኮማንዶ ብርጌዳትን ጸላኢ እናተበራረዩ፡ ኣሃዱታት ከቢድ ብረትን ነፈርቲ ውግእን ልዑል ደገፍ እናገበሩ ሓያል ፈተነ እኳ እንተካየዱ፡ ጸላኢ ዝወጠኖ ሸቶታት ከይሃረመ ፈሺሉ ተረፈ። በዚ ፍሽለት’ዚ ግን ደርግ ኣይተዓገሰን። ብኡ ንብኡ “ደም-መላሽ” ዝሰመዮ ካልኣይ ወፍሪ ኣስዓበ።\nSection::::“ዘመቻ ደም-መላሽ”.\nስርዓት ደርግ ኣብ ቀዳማይ መጥቃዕቱ፡ ዝወጠኖ ሸቶታት ክሕዝ’ኳ እንተ ዘይከኣለ፡ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ናብ ጸጋማይን የማናይን ግንባር ስለዝተመጠ፡ እቲ ማእከላይ ግንባር (ቀንዲ መስመር ኣስመራ ምጽዋዕ) ረቒቑ ይኸውን ዝብል ግምት ወሰደ። በዚ ድማ ብማእከል በሲዕካ ደንጐሎ ንምቍጽጻር ተኽእሎ ዘሎ ኮይኑ ተራእዮ። ድሕሪ’ቲ ቀዳማይ መጥቃዕቲ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ ድማ ሓይሉ ኣጠናኺሩ፡ ንተራራ ክፍለ-ጦር 18ን ሰንጥቕ መካናይዝድ ብርጌድ 16ን ኣሰሊፉ፡ ብ7 መጋቢት ወጋሕታ ሰዓት 4፡00 ጽዑቕ ደብዳብ ከቢድ ብረት ኣሰንዩ፡ ክፍለ-ሰራዊት 85 ዓሪዱሉ ብዝነበረ ድፋዓት ክፍንጥስ ተበገሰ። ብርጌዳት ክፍለ-ሰራዊት 85፣ ብርጌድ 22 ኣብ ማእከል ጽርግያ፡ 18 ኣብ ጎቦ ጋሕያት፡ 82 ኣብ ሩባ ማይ ኣድከሞምን ካብኡ ንጸጋም ዘሎ ቦታታትን ዓሪደን ነበራ። ካብ ጽርግያ ንየማን ንሸነኽ\n\nሓመልማሎ ከኣ ኣሃዱታት ክፍለ-ሰራዊት 61 ኣሲረን ነበራ። ውጥን ዘመቻ ደም-መላሽ፡ ክፍለ-ጦር 18 ብምሉእ ዓቕሙ ንጎቦ ጋሕያትን ካብኡ ንሰሜናዊ ምብራቕ ዘሎ ድፋዓትን ሰይሩ ብምዝርጋሕ ንደንጎሎ ክጽጋዕ፣ መካናይዝድ ብርጌድ 16 ብማእከል ጽርግያ ሰንጢቑ፡ ነቶም ምስኡ ዝተሰለፉ ኣጋር ሰራዊት ብከቢድ ብረት እናደገፈ ክሳብ ደንጎሎ ታሕታይ ዘሎ ኣገደስቲ ቦታታት ክቆጻጻር ዝዓለመ ነበረ። ህዝባዊ ሰራዊት ብዝገበሮ ሓያል መኸተ ግን፡ እዚ ንክልተ መዓልቲ ዝተኻየደ ህንዱድ ወፍሪ፡ ተልእኾኡ ከይፈጸመ ፈሸለ። ኣብዚ ግጥም’ዚ፡ ጸላኢ ጻዕቂ ደብዳብ ከቢድ ብረት፡ ታንክታትን ብዝሒ ሰራዊትን ተጠቒሙ፡ ኣብ ገለ ይደፍእን ቦታታት ይቈጻጸርን ነይሩ እዩ። እንተዀነ፡ ህዝባዊ ሰራዊት፡ ነቲ ውጥን ተረዲኡ፡ ስልቲ ብምቕያር፡ ነቲ ዝደፍእ ዝነበረ ሓይሊ ጸላኢን ታንክታትን ንውሽጢ ብምስሓብ ከርዲኑ ከትርፎ ይፍትን ብምንባሩ፡ ጸላኢ እውን ነዚ ተገንዚቡ ስግኣት ስለ ዝሓደሮ፡ ሰራዊቱ ንድሕሪት ስሒቡ ናብ ምክልኻል ክምለስ ተቐሰበ።   \n\nSection::::ደብዳብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ.\nኣብ ግንባር ጊንዳዕ ደማዊ ምርብራብ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ካልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት ስንቂን ኣጽዋርን ተደራቢ ሓይሊን ዝረኽበሉ እንኮ መስመር መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ’ዩ ዝነበረ። በዚ ድማ ህዝባዊ ግንባር፡ ንመዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ዒላማ ክገብሮ ግድን ነበረ። ሓጺር መጽናዕቲ ድሕሪ ምክያድ ከኣ፡ ካብቲ ድሮ ኣጽኒዑ ዝተቘጻጸሮ ግንባር ጊንዳዕ፡ ብ130 ሚሊ ሜትር መድፍዕ፡ ንመዓረፎ ነፈርቲ ኣስመራ ከረኻኽበሉ ከምዝኽእል ኣረጋገጸ። ብ17 መጋቢት 1990 ከኣ፡ ኣብ ማይሽሮ መዳፍዕ ብምትካል፡ ካብ ሰዓት 4፡20 ክሳብ 6፡25 ድሕሪ ቐትሪ፡ ንፈላማ ግዜ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ 80 ቦምባታት ከቢድ ብረት ኣዝነበ። እዚ ናይ ፈተነ ቦምባታት፡ ኣብ ሸውዓተ ከባቢታት ኣስመራ ማለት፣ ድሕሪ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ገጀረት፡ ፎሮብያ፡ መዓስከር ወተሃደራት ሰምበል፡ ጸጸራት፡ ገዛ-ከኒሻ፡ ከባቢ ባሕቲ መስከረምን መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራን ወደቐ።\n\nእዚ ፍጻመ’ዚ ንጸላኢ ከቢድ ራዕዲ ፈጠረሉ። ኣብ ኣስመራ ቦምባታት ክወድቕ ምስ ጀመረ፡ ኣብ ውሽጢ ከተማ ዝነበረ ሰራዊት ብርቡሽ መንፈስ ነናብ መዓስከራቱ ክጐዪ ተራእየ። ኣባላት ሰራዊትን ደህንነትን ደርግ ከኣ፡ ቦምባታት ኣብ ዝወደቑሉ ከባቢ፡ ‘ኣስተኳሽ’ (ሓበርቲ ተዅሲ ናይ ሻዕብያ) ኣለው እናበሉ፡  ዝጠርጠሩዎም ሲቪል ሰባት ኣብ ምእሳር ኣተዉ። ነዋሕቲ ርሻናትን ኣብያተ ክርስትያንን፡ ሓበርቲ ተሓቢኦምሉ ክህሉዉ ይኽእሉ’ዮም ብዝብል ጥርጣረ፡ ብፍሉይ ተኸበበን ተፈተሸን። እዚ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ደብዳብ፡ ንህዝቢ ኣስመራ ብመጠኑ ዘስንበደ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ዝቐጸለ መዓልታት ግን ህዝቢ ለሚድዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ብስራት ምቕራብ ዕለተ-ናጽነት ስለ ዝረኣዮ ብኣንጻሩ ድሃዩ ክሰምዕ ክህንጠ ጀመረ። \n\nኣዘዝቲ ሰራዊት ደርግ፡ ናብታ ዘይቀበጹዋ ምጽዋዕ ንምምላስ ናይ ሞትን ሕየትን ውግእ እናካየዱ፡ ደብዳብ መዳፍዕ ተወሳኺ ሕማም ርእሲ ኮኖም። ናብ ኣስመራ ዝድብድብ ዝነበረ መዳፍዕ ንምድምሳስ ከኣ ጽዑቕ ናይ ነፈርቲን ኣጋርን ስለያዊ ዳህሳስ ከካይዱ ጀመሩ። ነፈርቲ ብቐጻሊ እናዘንበያ እቲ መዳፍዕ ኣብ ዝትኩሰሉ እዋን ተኸታቲለን ክጥቅዕኦ፡ ነዊሕ ርሕቀት ዝሽፍን መዳፍዕ ጸላኢ ከኣ ናብኡ ክቐንዕ ትእዛዝ ተዋህበ። እንተዀነ፡ ንደብዳብ መዳፍዕ ህዝባዊ ሰራዊት ከዐግስዎ ኣይከኣሉን። ክሳብ ድሮ ናጽነት ድማ ቀጸለ። እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብ26 መጋቢት 1990 ኣብ ግንባር ጊንዳዕ ድግድግታን ጋሕተላይን ክድብድባ ካብ ዝበረራ ክልተ ነፈርቲ ኲናት ጸላኢ፡ ሓንቲ ሚግ-21 ብጸረነፈርቲ ህዝባዊ ግንባር ተሃሪማ ኣብ ከባቢ ዓድዕለ ክትወድቕ እንከላ፡ ኣብራሪኣ ዝነበረ ምክትል ሓለቓ ሚእቲ ኣባይነህ ሃይሉ ተማረኸ።\n\nSection::::ውግእ ሰሜናዊ-ባሕሪ.\nእዚ ግጥም’ዚ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ኣብ ርእሲ-ዓዲን ኳዜንን ጸላኢ ሰራዊት ስለዘጽዓቐ፡ ሓያል መጥቃዕቲ ክፍኑ ምዃኑ ተገምጊሙ ነበረ። በዚ ከኣ ህዝባዊ ሰራዊት ኣተሓሕዛኡ ከደልድልን ሓይሊ ክውስኽን ተጓየየ። ኣብቲ ግንባር ዓሪደን ዝነበራ ኣሃዱታት ክፍለ-ሰራዊት 96 እየን። ብርጌድ 98 ካብ ግራት-ኣውሊዕ ክሳብ ክሳድ-ኣልጌን፡ ብርጌድ 91 ካብ ክሳድ ኣልጌን ክሳብ ጽርግያ ፍልፍል-ኩዶ፡ ብርጌድ 49 ካብ ጽርግያ ፍልፍል ክሳብ ዒላዒሮ ሒዘን ነበራ። ወሃብ ደገፍ ሓደ በጦሎኒ ከቢድ ብረት ድማ ምስአን ተሰሊፉ ነበረ። እቲ ቦታ ሰፊሕ ስለ ዝነበረ፡ ጋንታታት ስለያ ንቕድሚት ብምሕላፍ’ዩ ምቍጽጻር ዝግበረሉ ነይሩ። ብርጌድ 98 ኣብ ግራት-ኣውሊዕ ነዊሕ ስለ ዝዓስከረት፡ ድፋዕ ሰሪሓ ነበረት። ካብ ርእሲ-እምባደርሆ ንየማነ ግን ስፍሓት ቦታ ስለዝነበሮን ዝተፈላለያ ኣሃዱታት ዝተቐያየራሉ ቦታ ብምንባሩን ዘተኣማምን ድፋዕ ኣይነበሮን።\nናይ ጸላኢ ክፍለ-ጦር 22፡ ብ19 ሚያዝያ ሰዓት 4፡00 ወጋሕታ፡ ብጹዑቕ ደብዳብ ከቢድ ብረት ተሰንዩ ኣብ መዛግብ ህዝባዊ ሰራዊት መጥቃዕቲ ከፈተ። ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍ-ገረብ ዝተባህለ ዕርዲ ሓያል ግጥም ተኻየደ። ብሽነኽ ሳቡር-ሰጊ ድልዱል መከላኸሊ መስመር ስለ ዘይነበረ፡ ጸላኢ ንቐዳማይ መከላኸሊ መስመር ክቆጻጸሮ ኣይተጸገመን። ኣብ ካልእ ቦታታት’ውን ተመሳሳሊ ሓያል መጥቃዕቲ ፈነወ። ህዝባዊ ሰራዊት ግን ጸኒዑ ተኸላኸለ። ድሕሪ’ዚ እቲ ብሸነኽ ሳቡር ሰጊ ጸላኢ ሒዝዎ ዝነበረ ቦታታት ብጸረ-መጥቃዕቲ ከም ዝምለስ ተገብረ። ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ሰራዊት ጸላኢ ብሸነኽ ርእሲ-እምባደርሆ፡ ሓይሊ ኣጽዒቑ ፈንጢሱ ብምሕላፍ ንርእሲ-እምባደርሆ ተቘጻጸረ።\n\nናብ 20 ሚያዝያ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፡ ክፍለ-ጦር 22፡ ዓቕሚ ደሪቡ፡ ኣብ ግራት-ኣውሊዕን ኣፍ-ገረብን ክረባረብ ሓደረ። ሰዓት 3፡00 ናይ ለይቲ ከኣ ንመከላኸሊ መሰመር ኣፍ-ገረብ ኣፍሪሱ፡ ብጸጋም ኣግፊሑ ዓቕሚ እናደረበ ብቐጻሊ ፈተነታት ከካይድ ወዓለ። ናብ 21 ሚያዝያ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፡ ረዳት ዝመጻ ኣርባዕተ ሓይልታት ናይ ክፍለ-ሰራዊት 52፡ ምስ ኣሃዱታት ክፍለ-ሰራዊት 96 ተደሪበን መጥቃዕቲ ንምፍጻም ኣብ ምድላው እንከለዋ፡ ክፍለጦር 22 ቀዲሙ ሰዓት 4፡00 ወጋሕታ መጥቃዕቲ ከፈተ። ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት ከኣ፡ ዝተኸፍተለን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክልኻል፡ ጸረ-መጥቃዕቲ ብምግባር ልክዕ ሰዓት 12፡00 ቀትሪ ንግራት-ኣውሊዕ ተቘጻጸራኦ። ብ22 ሚያዝያ ክፍለ-ጦር 22፡ መጠናዊ መጥቃዕቲ’ኳ እንተካየደ፡ ተጸፊዑ ተመልሰ። እንተዀነ ንጽባሒቱ 23 ሚያዝያ ዝደኸመ ኣሃዱታቱ ቀያይሩ፡ ብጽዑቕ ደብዳብ ተሰንዩ፡ ነቲ ብዕለት 21 ሒዝዎ ዝነበረ ቦታታት ዳግም ንምምላስ ሓያል መጥቃዕቲ ብምፍናው ደጊሙ ክቈጻጸሮ ከኣለ። ክፍለ-ሰራዊት 96፡ ዝተደፍአ ኣሃዱታቱ ዳግም ወዲቡ፡ ክልተ ሓይሊ ናይ ክፍለ-ሰራዊት 16 ብምድራብ፡ ብ24 ሚያዝያ ሰዓት 18፡00 ምሸት መጥቃዕቲ ፈነወ። ሰዓት 23፡00 ከኣ መከላኸሊ መስመር ግራት-ኣውሊዕ ብምሉኡ ተቘጻጸሮ።   ብድሕሪ’ዚ ንርእሲ-እምባደርሆን ከባቢኡን ካብ ኢድ ጸላኢ ንምምንዛዕ፡ ክፍለ-ሰራዊት 52 ጸረ-መጥቃዕቲ ኣካየደ። ክደፍእ ክድፋእ ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ፡ 25 ሚያዝያ፡ ካብ ክፍለሰራዊት 16 ሓደ በጦሎኒ፡ ካብ ክፍለ-ሰራዊት 96 ክልተ በጦሎኒ ተደረባኦ። እዘን ኣሃዱታት፡ ብደብዳብ መዳፋዓትን ሞርታራትን ዝተሰነየ ጸረ-መጥቃዕቲ ንምክያድ እናተዳለዋ ከለዋ፡ ጸላኢ ግንባር ጊንዳዕ ዝካየድ ዝነበረ መጥቃዕቲ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዝፈሸለ ክፍለ-ጦር 21 ናብ መበገሲ ቦታኡ ክምለስ ተኣዘዘ’ሞ፡ 27 ሚያዝያ 1990፡ ኣብኡ ዝነበረ ሓይሊ ጸላኢ ናብ መበገሲ ቦታኡ ኣዝለቐ። \n\nስርዓት ደርግ በዚ ንኣስታት ስለስተ ኣዋርሕ ዘካየዶ ተኸታታሊን መጠነ-ሰፊሕን ወፍሪታት እኳ እንተ ዘይተዓወተ፡ “ዓቕሚ ህዝባዊ ግንባር ተዳኺሙ ይኸውን” ካብ ዝብል ገምጋም፡ ብዘይካ፡ ሓይሊ እናወሰኽካ ቀጻሊ ወፍርታት ብምብጋስ ውግእ ምቕጻል ካልእ ይርኣዮ ኣይነበረን። ብርግጽ ድማ መስመር ኣስመራ-ምጽዋዕ ካብ ምኽፋት ወጻኢ ካልእ ካብ ስዕረት ዘድሕን ወተሃደራዊ ኣማራጺታት ኣይነበሮን።\n\nስርዓት ደርግ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጭኑቕ ኩነተ ኣእምሮን ናይ ቅብጸተ ተስፋ ህልኽን እንከሎ፡ ህዝባዊ ግንባር፡ ጸላኢ ዓሰርተ ግዜ ሰራዊቱን ኣጽዋርን እናደረበ ዘካይዶም ወፍሪታት ንምምካት ልኡም ኰይኑ ክጽበ ምርጫኡ ኣይነበረን። ነቲ ሓደገኛ ውጥን ጸላኢ ንምምካን ካልእ ስልቲ ክጥቀም ነበሮ።\n\nጸላኢ ድሕሪ’ዚ ዝተጠቕሰ ፍሹል ወፍርታት፡ “ዘመቻ ኣሉላ” ዝተሰምየ ካልእ ሓድሽ ወፍሪ ንምብጋስ መደብ ሒዙ ነይሩ እዩ። ስልቲ ናይዚ ወፍሪ’ዚ፡ ካብቲ ቅድሚኡ ብዙሕ ዝፍለ ከምዘይኮነ ይግመት። ጸላኢ ነዚ ወፍሪ’ዚ ኣብ ምቅርራብ እንከሎ ግን፡ ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ደቡብ ኤርትራ መጥቃዕቲ ከፊቱ ከተማታት ክቈጻጸር ስለ ዝጀመረ፡ እቲ ውጥን በርዓነ።   ኣብዚ ብስርሒት ፈንቅል ዝተጨበጠ ዓወት ንምዕቃብ፡ ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ግንባር ጊንዳዕ ዝተኻየደ መሪርን ደማዊን ምርብራብ፡ ኣስታት 3000 ተጋደልቲ ከምዝተሰውኡ ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብቲ ካብ 8 ክሳብ 29 ለካቲት 1990 ንኣስታት 20 መዓልታት ምጽዋዕ ንምሓዝን ረዳት ጸላኢ ኣብ ደንጎሎን ሰሜናዊ ባሕሪን ንምሕናቑን ዝተኻየደ ከም ኣካል ስርሒት ፈንቅል ዝውሰድ መጥቃዕቲታት ዝተሰውኡ ተጋደልቲ 1100 ምንባሮም ኣብ ግምት ምስዝኣቱ፡ እቲ ኣብ ምርብራብ ግንባር ጊንዳዕ ዝተኸፍለ ዋጋ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምንባሩ ንምርዳእ ኣየጸግምን። ህዝባዊ ሰራዊት ነዚ ብብርቱዕ ደብዳብ ዝተፈላለየ ዓይነት ኣጽዋራትን ነፈርቲን ዝተሰነየ ወፍርታት፡ ከቢድ መስዋእቲ እናኸፈለ ተሪሩ ስለ ዝመከቶ፡ ጸላኢ ኣብዚ ወፍርታት’ዚ፡ ዝዀነ ናይ ቦታ ለውጢ ከምጽእ ኣይከኣለን። ኣስታት 30,000 ሰብኣዊ ክሳራ ከምዘጋጠሞ ድማ ሰነዳት ጸላኢ የረጋግጽ። \n\nSection::::ምድልዳል ግንባር ደቀምሓረ.\nኣዘዝቲ ሰራዊት ደርግ፡ ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ከቢድ ምርብራብ ግንባር ጊንዳዕ ስለዝተሃስየ፡ ብሸነኽ ደቡብ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ክፍኑ ይኽእል’ዩ ዝብል ገምጋም ኣይነበሮምን። ምምስራት ግንባር ደቀምሓረ መሸንቆቛ ጸላኢ ዘጽበበ፡ ንጸላኢ ኣዝዩ ኣገራሚን ኣሰንባዲን ፍጻመ’ዩ ነይሩ። በዚ ድማ፡ መግዛእታዊ ስርዓት ደርግ፡ ናብ ተስፋ ምቝራጽን ዓቕለ-ጽበታዊ ምዕልባጥን ኣምርሐ። ናይ መጨረሽታ ክገብሮ ዝኽእል ዝነበረ፡ ካልእ ዘይተሓስበ ዕድላት ክሳብ ዝርከብ፡ ኣብ ግንባር ደቀምሓረ፡ ኣደልዲልካ ብምዕራድ ግዜ ምዕዳግ ጥራይ እዩ። በዚ መሰረት፡ ጸላኢ ኣብ ጸቢብን ንምክልኻል ምቹእ ዝዀነን ቦታታት፡ ብዙሕ ሰራዊትን ኣጽዋርን ኣገዲሙ ኣብ ፍጹም ምክልኻል ኣተወ።\n\nኣብ ግንባር ደቀምሓረ ዝተረኽበ ተዛማዲ እፎይታ፡ ህዝባዊ ግንባር ብቕዓት ሰራዊቱ ዝያዳ ክብ ንምባል ተጠቕመሉ። ምልከት ኣጽዋር ንምዕባይ ኣብ ትምህርቲ ኣድሃበ። ነብሲወከፍ ኣሃዱ ናይ ገዛእርእሳ ሓይሊ ኮማንዶ ከምዝህልዋ ብምግባር ድማ ጽዑቕ ወተሃደራዊ ታዕሊም ከምዝካየድ ገበረ። ንጽፈት እዝን ቁጽጽርን ዝሕግዝ ሓያሎ ትምህርታዊን ምምሕዳራዊን መደባት ኣሰላሰለ። ዓቕሚ ህዝባዊ ሚሊሻን ዞባዊ ሰራዊትን ብዓቕሚ ሰብን ኣጽዋርን ዝያዳ ደልደለ።ህዝቢ ደቡብ፡ ዝያዳ ካልእ ግዜ ብጋንታታት ተወዲቡ፡ ዕጥቅን ስንቂን ኣብ ምምልላስ፡ ድፍዓትን ጽርግያታትን ኣብ ምህናጽ ምስ ህዝባዊ ሰራዊት ብልዑል ውህደት ይሳተፍ ነበረ።  ኵሉ’ዚ ምድላዋት ድማ ናብ ዛዛሚ ኲናትን ምርግጋጽ ናጽነትን ዝቐንዐ ነበረ። \n\nSection::::ተበግሶ ነሓሰ 1990.\nህዝባዊ ግንባር፡ ኣብ ነሓሰ 1990 ኣብ ግንባር ደቀምሓረ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከካይድ ወጠነ። ናይዚ መጥቃዕቲ’ዚ ዕላማ፡ ደቀምሓረን ከባቢኡን ብምቍጽጻር፡ ከባቢ ወቐርቲ ብምብጻሕ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ቀረባ ርሕቀት ተዅሲ መዳፍዕ ምእታው፣ ንሸነኽ ምዕራብ ንመስመር ኣስመራ መንደፈራ ኣብ ከባቢ ተራእምኒ ድባሩዋ በቲኽካ፡ ኣብ ሰራየ ዝነበረ ሓይሊ ጸላኢ ምቝራጽ፣ ምዕባለ ናይቲ ውግእ ተራእዩ ድማ፡ ግንባራት ጊንዳዕን ዓዶሮሶን ውሽጢ ስለዝተርፉ፡ ሰራዊት ጸላኢ ንድሕሪት ክስሕብ ዘገድዶ ሃዋህው ምፍጣር ነበረ። እንተዀነ እቲ ውግእ ንጸላኢ ናይ ሞትን ሕየትን ሕቶ ስለዝነበረ፡ ዘለዎ ዓቕሚ ኣጽዋርን ሰራዊትን ብምኽታት፡ ትሕጃታት እውን ኣዋዲዱ ጸኒዑ ንምክልኻል ተዳልዩ ነበረ። \n\nኣብዚ ናይ ፈለማ ወርሒ ነሓሰ መጥቃዕቲ’ዚ ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት፡ ኣብ ኣፍደገ ሓሊቦን እንዳደቆን ዝነበረ ሓይሊ ጸላኢ ጸራሪጉ፡ ንዓዲ-ምሕጹን፡ ጎደይቲ፡ ማይሑጻ፡ ዓዲንፋስ፡ ውጡሕን ማይዕዳጋን ሓራ ገበረ። እንተዀነ ኣብ ከባቢ ጉራዕን ከባቢኡን ብሰንኪ ዘጋጠመ ዕንቅፋት፣ ከምኡ’ውን ታንክታት ህዝባዊ ግንባር ናይ ቅርጺ መሬትን ወሓይዝን ካልእን መሰናኽላት ስለዝገጠመን፡ ጎላጉል እገላ-ሓመስ ክሰግራኦ ኣይከኣላን። በዚ ምኽንያት’ዚ ከኣ እቲ ዝተወጠነ ሸቶ ከይተሃርመ ተረፈ። ብድሕሪ’ዚ ህዝባዊ ሰራዊት፡ ኣንፈት ብምቕያር፡ ንብርጌድ 87 ናይ ክፍለ-ሰራዊት 61፡ ከምኡ’ውን ክፍለ-ሰራዊት 16ን ክፍለ-ሰራዊት 52ን ኣሰሊፉ፡ ካብ ዓዲሃርም የማን ክሳብ ከባቢ ሕረት ብ14-15 ነሓሰ 1990 ዳግማይ መጥቃዕቲ ኣካየደ። እዚ’ውን ከምቲ ዝድለ ውጽኢት ኣይተረኽቦን።\n\nኣብ መስከረም 1990፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ በረኽቲ ቦታታት ሰሰብ ሓያል መጥቃዕቲ ፈነወ። ክሳራ ሰብን ንዋትን ምስ በዝሖ ግን መጥቃዕቱ ኣቋረጾ። ካብ መስከረም 1990 ንደሓር፡ ኣብ ግንባር ደቀምሓረ ዳርጋ ውግእ ኣይተኻየደን። ጸላኢ መወዳእታ እናቐረበ ይመጽእ ከምዝነበረ ብምግንዛብ፡ ካብ ዓቕሊ ምጽባብ ዝተበገሰ ገለ ስጕምቲ ክወስድ ተደናደነ። ግንባር ደቀምሓረ ብተዛማዲ ኣብ ዝረግኣሉ ግዜ፡ ጸላኢ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት 1991 ብዓዲዃላን መረብን ኣቢሉ፡ ዓድዋን ሽረን ብምቁጽጻር መስመር ጎንደር ክኸፍት ፈቲኑ ነይሩ። እንተዀነ ብሓይልታት ህዝባዊ ግንባርን ወያነን ተደፊኡ ተመልሰ።\n\nዛዛሚ ግጥም   ሰርዓት ደርግ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ውግኣት እናካየደ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ እውን ብመጥቃዕቲታት ሰራዊት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተሸጊሩ ነበረ። መሪሕነት ህዝባዊ ግንባርን ወያነን ከኣ፡ ውድቀት ስርዓት ደርግ ንምቅልጣፍ፡ ወተሃደራዊ ስርሒታቶም ዘወሃህድ መደባት ሓንጸጹ። በቲ መደብ መሰረት፡ ሓደ ቦጦሎኒ ታንከኛ፡ ሓደ ቦጦሎኒ መድፍዕ፡ ሓደ ቦጦሎኒ ረሻሽ፡ ከምኡ’ውን ጸረ-ታንክን ጸረ-ኣየርን ሚሳይላት ዝዓጠቐ ሓደ መካናይዝድ ብርጌድ ህዝባዊ ግንባርን ኮማንዶ ቦጦሎንታትን ኣብ መጥቃዕቲታት ማእከል ኢትዮጵያ ንምስታፍ ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ወያነ ክስለፉ ተመደበ። እቲ ሓባራዊ ወተሃደራዊ መደብ ኣብ ሰለስተ መድረኻት ዝተኸፋፈለ ነበረ።\n\nእቲ ቀዳማይ መድረኽ ካብ መወዳእታ ለካቲት ጀሚሩ ክሳብ ፍርቂ መጋቢት 1991 ዝቕጽል ኮይኑ፡ ዕላማኡ ኣሃዱታት ህዝባዊ ግንባር ንጢዖን ዕዲን ከጥቅዓ፡ ሓይልታት ወያነ፡ መካናይዝድ ብርጌድ 23ን ኣሃዱታት ኮማንዶ ህዝባዊ ግንባርን ብሓባር ድማ፡ ነቲ ኣብ ጎልጎል ሃሙሲት ክፍለ ሃገር ጎንደር ዝነበረ ገዚፍ ሰራዊት ጸላኢ ብምጥቃዕ ባህርዳርን ጎንደርን ተቘጻጺሩ ንክፍላተ-ሃገር ጎንደርን ጎጃምን ሓራ ከውጽእ እዩ ነይሩ።\n\nእቲ ካልኣይ መድረኽ ካብ ፍርቂ መጋቢት ጀሚሩ ንክልተ ኣዋርሕ ዝቕጽል ኮይኑ፡ ዕላማኡ ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ በይሉል ዝነበረ ሓይሊ ጸላኢ ደምሲሱ፡ ንዓሰብ ክጽጋዕ፣ ሰራዊት ወያነን ኣሃዱታት ህ.ግ.ን ብወገኖም፡ ንኣባይ ሰጊሮም ንወለጋን ምዕራብ ሽዋን ከጥቅዑ ዝዓለመ ነበረ።  \n\nሳልሳይ መድረኽ፡ እቲ ኣብ ግንቦት 1991 ዝተተግበረ ውጥን ኰይኑ፡ ህዝባዊ ሰራዊት ንኣስመራ ብምጥቃዕ፡ ንማእከላይ እዚ ካልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት ክቆጻጸር፡ ሓይልታት ወያነን ህ.ግ.ን ከኣ ኣብ ደሴን ከባቢኣን ዝነበረ ሓይሊ ጸላኢ ጸራሪጉ ንኣዲስ ኣበባ ክኣቱ ዝብል እዩ። በዚ ውጥን’ዚ መሰረት፡ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ለካቲት 1991፡ ኣብ ኣውራጃ ደንከል ኣብ ጢዖ፡ ዕዲ፡ በርዓሶለ፡ ኣፋምቦ፡ በርሓሊ፡ ዋዴ፡ ደረብ፡ በይሉልን ዓሰብን ዓስኪሩ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ሰራዊት ጸላኢ ንምድምሳስ ነቐለ።\n\nSection::::ወፍሪ ደንከል.\nህዝባዊ ግንባር፡ ናብቲ ንኣጋር ሰራዊት ይኹን መካናይዝድ ዘይምቹእ፡ ብቐሊሉ ረዳት ሓይሊ ይኹን ዕጥቅን ስንቅን ከተመላልሰሉ ዘይትኽእል ኣጻምእ ደንከል ንመጥቃዕቲ ክወፍር እንከሎ፡ ዝያዳ ኹሉ ዝተኣማመነሉ ዕጥቂ፡ ጽንዓትን ተጻዋርነትን ተጋዳላይ እዩ ነይሩ። \n\nኣብ ግንባር ጊንዳዕ ደማዊ ምርብራብ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፡ ሓይሊ-ባሕሪ ኢትዮጵያ ብመራኽብ ካብ ዳህላክን ናኹራን እናተበገሰ ንምጽዋዕ ብኸቢድ ብረት ይድብድብ ነይሩ እዩ። ዕላማ ናይቲ ደብዳብ፡ ነቲ ግንባር ጊንዳዕ ፈንጢሱ ናብ ምጽዋዕ ክምለስ ናይ ሞትን ሕየትን ፈተነ ዘካይድ ዝነበረ ሰራዊት ደርግ፡ ብድሕሪት ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ሰራዊት ጸቕጢ ፈጢርካ ንምሕጋዙ፡ እንተዘይሰለጠ ከኣ ወደብ ምጽዋዕ ንምዕናው’ዩ ዝነበረ። ሓይሊ-ባሕሪ ህዝባዊ ግንባር ከኣ፡ በተን ፈጣናት ጀላብኡ ንዘመናውያን መራኽብ ውግእ ስርዓት ደርግ እናጥቅዐ፡ ነቲ ናይ ባሕሪ መጥቃዕቲ ከዐግሶ ይፍትን ነበረ። ህዝባዊ ሰራዊት ንወፍሪ ደንከል ክነቅል ከሎ እምበኣር እንተላይ ነቲ ኣብ ዳህላክን ናኹራን ዓስኪሩ ዝነበረ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንምድምሳስ እዩ ነይሩ።\n\nነዚ ወፍሪ’ዚ ንምዕዋት፡  ህዝባዊ ግንባር፡ ካብ ዝተፈላለያ ግንባራት ኣሃዱታት ብምስሓብ፡ ሓደ ፍሉይ ሓይሊ ከም ዝቐውም ገበረ። ኣብ መወዳእታ 1990 ኣብ ነብሲ-ወከፍ ክፍለሰራዊት ኮማንዶ ቦጦሎኒ ከምዝቐውም ተገይሩ ነበረ። ናብ ወፍሪ ደንከል ንቕሎ ምስ ኮነ ድማ፡ ኣብ ክፍላተ ሰራዊት 16፡ 52፡ 85፡ 96 ዝነበሩ  ፓራኮማንዶ ቦጦሎንታት፡ ከምኡ’ውን ሓደ በጦሎኒ ካብ ኣሃዱ ኮማንዶ ውድብ ኣብ ሕርጊጎ ተኣኻኸቡ። ብዘይካ’ዚ፡ ካብ መካናይዝድ ክፍለ-ሰራዊት 74፡ ኣርባዕተ ናይ ታንክ፡ መድፍዕ፡ ረሻሽ በጦሎኒታት፣ ካብ ሓይሊ ባሕሪ’ውን ዝተወሰነ ሓይሊ ተጸንበሮም። እዚ ፍሉይ ሓይሊ’ዚ ምስ ተኣከበ፡ ምስቲ ኣብ ቅድመኡ ዝጽበዮ ዝነበረ ዕማምን ቅርጺ መሬትን ዝዛመድ ናይ ክልተ ኣዋርሕ ታዕሊም ኣካየደ።   እዚ እናተገብረ ስለያ ሓይሊ-ባሕርን ስለያ ናይቲ ሓድሽ ዝቘመ ሓይሊን ምስ ሓፋሽ ውዱባት ደቂ ዳህላክ ተወሃሂዶም፡ ንደሴት ዳህላክ ንምጥቃዕ መጽናዕቲ ከካይዱ ጀመሩ። ብመሰረት’ቲ መጽናዕቲ፡ “መእተዊ መሳኹቲ ናብ ደሴት ዳህላክ ጸቢብ ኰይኑ፡ ንዘጥቅዕ ሓይሊ መንከሲ ዝኸውን ምቹእ ቦታታት ዘይብሉ፡ ብኣንጻሩ ንዝኸላከል ሓይሊ ዕድል ዝህብ እዩ። ሰራዊት ኣብታ ደሴት ተጸጊዑ ምስ ተራገፈ፡ ናብ ሸቶኡ ማለት ናብቲ ቀንዲ ሰራዊት ጸላኢ ዓስኪሩሉ ዝነበረ መዓስከር ናኹራ ንክበጽሕ ምሉእ መዓልቲ ዝወስድ መገዲ ክጓዓዝ ኣለዎ። ኣብዚ መኸወሊ ዘይብሉ ደሴት፡ ነፈርቲ ኲናት ካብ ኣስመራ እናተመላለሳ ጽዑቕ ደብዳባት ከካይዳ ይኽእላ’የን። ናብዛ ደሴት ሓንሳብ ምስ ኣተኻ፡ ኵነታት እንተ ዘይሰሊጡ ከተንሳሕብ ኣጸጋሚ እዩ” ዝብል መደምደምታ ተበጽሐ። በዚ ምኽንያት’ዚ ደሴት ዳህላክ ንምጥቃዕ ዝወጸ ውጥን ተረፈ።   ዳህላክ ንምጥቃዕ ዝተሓሰበ መደብ ምስ ተረፈ፡ ኣጋርን መካናይዝድን ሓይሊ-ባሕሪን ዝሓቘፈ ሰራዊት፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ እዚ ተጠርኒፉ፡ ናብ መጥቃዕቲ ጢዖ ኣቕንዐ። ኣብ ሕርጊጎ ምድላዋቱ ድሕሪ ምጽፋፍ ከኣ፡ ብ25 ለካቲት ናብ ገልዓሎ ቀረበ። ንጽባሒቱ ህዝባዊ ሰራዊት፡ ኣብ ጢዖ ዝነበረ ሰራዊት ጸላኢ ንምጥቃዕ ብክልተ ኣንፈት ገስገሰ። በጦሎኒ ፓራኮማንዶ ክፍለ-ሰራዊት 16 ምስ ሓደ ሓይሊ ናይ ሓይሊ ባሕሪ ብባሕሪ ክብገሱ እንከለው፡ በጦሎኒ ፓራኮማንዶ ክፍላተ-ሰራዊት 52፡ 85፡ 96፡ ምስ መካናይዝድ ብርጌድን ሃንደሳን ካልኦት ኣሃዱታትን ብመሬት ነቐሉ። እቲ መደብ፡ ብባሕሪ ዝነቐለ ሓይሊ፡ ማርሳ ፋጥማ ክበጽሕ ከሎ፡ እቲ ብመሬት ዝተጓዕዘ ሓይሊ ከኣ ብመገዲ ዓኬሎ ኣቢሉ ምስቲ ብባሕሪ ዝኸደ ኣብ ማርሳ ፋጥማ ክራኸብ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ኣብ መጻብቦ ዓኬሎ፡ ሽዱሽተ ታንክታት ኣብ ሰልሚ ስለ ዝተሸኽላ፡ ጕዕዞ ተዓናቐፈ። ካልእ መገዲ ክምረጽ ስለ ዝነበሮ ድማ፡ ብምሉኡ’ቲ ሓይሊ ንገልዓሎ ተመልሰ። እታ ብባሕሪ ዝነቐለት በጦሎኒ ፓራኮማንዶ 16 እውን ምስቲ ብኣጋር ዝነቐለ ሓይሊ ተደረበት። እቲ ኣማራጺ ንየማን ብሲሞቲ ኣቢልካ ምኻድ ነበረ። ብምሉኡ ኣጥቃዒ ሓይሊ ድማ ምሉእ ለይቲ ልዕሊ 140 ኪሎ ሜትር ክጓዓዝ ሓዲሩ፡ ወጋሕታ ከባቢ ጢዖ በጽሐ። 27 ለካቲት ሰዓት 9፡00 ረፋድ ከኣ መጥቃዕቲ ጢዖ ጀመረ። እቶም ብፈጣናት ጀላቡ ተጓዒዞም ዝመጹ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ’ውን ኣብ ልዕሊ መዓስከር ጢዖ ብባሕሪ ሓያል መጥቃዕቲ ፈነው። እቲ መጥቃዕቲ ቅልጡፍን ልዑል ውህደት ዝነበሮን እኳ እንተነበረ፡ ኣብ መዓስከር ጢዖ ዝነበረ ጸላኢ ብመሬት ይዅን ብባሕሪ መህደሚ ስለ ዘይነበሮ፡ እቲ ኲናት መሪር ነበረ። ኣብ መወዳእታ ህዝባዊ ሰራዊት፡ ነቲ ኣትሪሩ ክከላኸል ዝፈተነ ሰራዊት ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ደምሲሱ ሰዓት 15፡00 ድሕሪ ቐትሪ ንጢዖ ካብ መግዛእቲ ኣገላገላ። ኣስታት 260 ኪሎ ሜትር ደቡባዊ ምብራቕ ካብ ምጽዋዕ እትርከብ ጢዖ፡ ኣብ ደነከል ድሕሪ ወደብ ዓሰብ፡ ዝበዝሐ ህዝቢ ዝቐመጣ ዓባይ ማርሳ እያ።\n\nብመጥቃዕቲ ጢዖ ዝሰንበደ ጸላኢ፡ ኣብ ደንከልን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያን ዝካየድ ዝነበረ መጥቃዕቲ ጸቕጢ ፈጢሩ ከተዓናቕፍ፡ ከምኡ’ውን እንተስለጦ፡ ካብ ከበባ ዘገላግሎ መስመር ብሸነኽ ጎንደር ክኸፍት ብምሕሳብ ንክፍለ ጦር 14 ብዓዲዃላ ኣቢሉ ንራማ - ትግራይ ኣንቀሳቐሶ። ብ3 መጋቢት 1991 ከኣ መጥቃዕቲ ከፈተ። ቅድሚ ሽዑ፡ ሰራዊት ደርግ ዶብ ኤርትራ ሰጊሩ ንውሽጢ ኢትዮጵያ ከጥቅዕ’ዩ ዝብል ስግኣት ኣይነበረን። ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ሰራዊት ደርግ ካብ መላእ ትግራይ ስሒቡ ኣብ ማእከል ኢትዮጵያ ዓሪዱ ብምንባሩ፡ ብምሉኡ ሰራዊት ወያነ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ’ዩ ዝነበረ። ብዘይካ ውሑዳት ኣብ ክፍልታት ዝነጥፉ ኣባላት ወያነ፡ ንትግራይ ክከላኸለላ ዝኽእል ሰራዊት ኣይነበረን። እቶም ውሑዳት ኣባላት ወያነ፡ ዝከኣሎም እናገበሩ ከም ዝደናጐ ምስ ገበሩዎ ከኣ፡ ካብተን ኣብ ውግእ ጢዖ ዝተሳተፋ ክልተ በጦሎኒታት ፓራ-ኮማንዶ ናይ ክፍላተ-ሰራዊት 16ን 52ን፡ ሓደ በጦሎኒ ኮማንዶ ህዝባዊ ግንባር፡ ከምኡ’ውን ካብታ ኣብ ግንባር ደቀምሓረ ዝነበረት ብርጌድ 90 ናይ ክፍለ-ሰራዊት 16 ሓንቲ በጦሎኒ፡ ብህጹጽ ብመካይን ተጓዒዘን ብዓዲግራት ኣቢለን ብቐትሩ ዓድዋ ኣተዋ። ሰራዊት ደርግ ድሮ ኣብ ገማግም ዓድዋ በጺሑ ነበረ። ክልተኡ ሓይልታት ኣብ ዓዲ ኣቡን ምስ ተራኸበ ውግእ ተጀመረ። ሰራዊት ህዝባዊ ግንባርን ንሓጺር ግዜ ናይ ምክልኻል ውግእ ድሕሪ ምክያድ ሓያል ጸረ-መጥቃዕቲ ፈነወ። ኣብ መወዳእታ እቲ ሓደገኛ ዝነበረ ውጥን ጸላኢ ፈሸለ። ክፍለ-ጦር 14፡ ከቢድ ክሳራ ወሪድዎ ናብ ዓዲዃላ ክምለስ ተገደደ።\n\nድሕሪ ሓርነት ጢዖ ህዝባዊ ሰራዊት ብ7 መጋቢት ግስጋሰኡ ብምቕጻል፡ ብ8 መጋቢት ንማርሳ ዕዲ፡ 150 ኪሎ ሜትር ሰሜን ካብ ዓሰብ ኣጥቅዐ። ኣተሓሕዛ ጸላኢ ብዙሕ ዝፍለጥ ስለ ዘይነበረ፡ ህዝባዊ ሰራዊት ብገባር ደቂ’ቲ ከባቢ እናተመርሐ እዩ ኣብ መስመር ተዅሲ በጺሑ። ንክልተ ሰዓታት ብዝተኻየደ ናይ ምድርን ባሕርን ዉሁድ መጥቃዕቲ ከኣ፡ ህዝባዊ ሰራዊት ንዕዲ ተቘጻጸራ። ኣብ ውግእ ዕዲ ብረት ጸላኢ ዓጢቘም ዝነበሩ ኤርትራውያን ምስ ህዝባዊ ሰራዊት ተሓባቢሮም እዮም። ህዝባዊ ሰራዊት ነቲ ድሮ ዝጀመሮ ስርሒት ብምቕጻል፡ ብ14 መጋቢት ንኣፋምቦ፡ ብ29 መጋቢት ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ግስጋሰ ህዝባዊ ሰራዊት ንምዅላፍ፡ ኣብ ቦርሓኖን ኣርዓኖን - ኣስታት 100 ኪሎ ሜትር ሰሜናዊ ምዕራብ ካብ ዓሰብ - ዝተጠናኸር ሰራዊት ጸላኢ በርቃዊ መጥቃዕቲ ብምውሳድ፡ ነቲ ቦታታት ተቘጻጸሮ። ጸላኢ ኣብ ቦርዓኖን ኣርዓኖን ክከላኸል ዝወሰነሉ ምኽንያት፡ እቲ ቦታ ጸቢብን ማሕንቘታት ዘለዎን ብምዃኑ እዩ። ኣብ ርእሲኡ ህዝባዊ ሰራዊት፡ ነቲ ብበረኽቲ ጎቦታት ዝተኸበበ ጐላጉል ማብራ ሰጊሩ፡ ክሳውዲ ቦርሓኖን ኣርዓኖን እንተ ሒዙ፡ ዋዴን በይሉልን ንምቍጽጻር ከም ዘይጽገሞ ጸላኢ ተገንዚብዎ ነበረ። ጸላኢ ኣብዚ ውግእ’ዚ ሓይሉ ኣዳልዲሉ እኳ እንተመከተ፡ ህዝባዊ ሰራዊት’ውን፡ እተን ንትግራይ ክረድኣ ዝተላእካ በጦሎኒታት ሽሕ’ኳ ዓቕመን ተዳኺሙ እንተ ነበረ፡ ስለ ዝተመልሳኦ፣ ካልኦት ኣርባዕተ ኣጋር በጦሎኒታት እውን ተደሪበናኦ ብምንባረን ብመጠኑ ደልዲሉ ነበረ።   ሓይሊ ባሕሪ ህዝባዊ ግንባር ብወገኑ ኣብዚ ዕለት’ዚ፡ ናብቲ ኣብ ደሴታት ዳህላክ ዝነበረ ሰራዊት ደርግ ማይን ስንቅን ንምብጻሕ ዝተንቀሳቐሳ ሰለስተ መራኽብ ኲናት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ደቡባዊ ደንከል ብምጥቃዕ ንሓንቲ ካብተን ዓበይቲ መራኽብ ወቒዑ ኣቃጸላ። ንጽባሒቱ ድማ ኣሃዱታት ጸረ-ነፈርቲ ህዝባዊ ግንባር ሚግ 23 ነፋሪት ኲናት ወቒዖም ኣውደቑ። \n\nበዚ ትንፋስ ዘይህብ ምዕባለታት’ዚ ዝተናወጸ ስርዓት ደርግ፡ ካብ ከባቢ ዓሰብን ምብራቕ ኢትዮጵያን ኣጋር ሰራዊትን መካናይዝድን ብምድራብ ንዓሰብ ክከላኸል’ዩ ወሲኑ። በዚ ድማ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ክፍለ-ጦር 17 ብነፈርቲ ብህጹጽ ናብ ዓሰብ ከም ዝመጽእ ገበረ። ካብ ኦጋዴን ዶብ ሶማል እውን፡ 45 ታንክታት ዝዓጠቐ መካናይዝድ ክፍለ-ጦር ናብ ደንከል ብምግዓዝ ኣብ ከባቢ በይሉል ዓረደ። በዚ ድማ ሚዛን ሓይሊ ተቐያየረ። ጸላኢ ዝነበሮ ናይ መጓዓዝያን ጥጡሕ መራኸቢ መስመርን ብልጫታት ተጠቒሙ ገዚፍ ሓይሊ ክድርብ እንከሎ፡ ህዝባዊ ሰራዊት ግን ዝወሰኾ ሓይሊ ብተዛማዲ ኣዝዩ ውሑድ ነበረ። ኣብቲ ቅድሚኡ ዝተኻየደ፡ ነዊሕን መሰናኽል ዝበዝሖን ጕዕዞን መረርቲ ውግኣት ምድረበዳን እውን ብዙሕ ሃሊኹ ነበረ።   ወጋሕታ 31 መጋቢት፡ ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ዋዴ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝተጠናኸረ ሓይሊ መጥቃዕቲ ፈነወ። ጸላኢ ኣብ ሰንሰለታዊ ጎቦታት ዋዴ ነኺሱ ምውራድ ኣበየ። ብፍላይ መበል 17 ክፍለ-ጦር፡ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ምስ ህዝባዊ ሰራዊት ዝገጠመ ምኩር ሰራዊት ብምንባሩ፡ ብርጌዳቱ እናቐያየረ ኣትሪሩ መከተ። ንሰለስተ መዓልታት ከኣ፡ ደማዊ ውግእ ቀጸለ። እቲ ኩነታት ዘሻቕል እናዀነ ስለ ዝኸደ ከኣ ሓደ ከዐውት ዝኽእል ስልቲ ኲናት ክሕንጸጽ ግድን ነበረ። በዚ መሰረት፡ ነቲ ኣብ ዋዴን ከባቢኡን ዝነበረ ሰራዊት ጸላኢ ንምድምሳስ፡ በቲ ዝሓሸ መንቀሳቐሲ ቦታ ዝነበሮ ጸጋማይ ወገን ታንክታት ከሕልፍ ዝኽእል መገዲ እናዲኻ፡ ኣጋር ሰራዊትን ታንክታትን ብምእታው፡ ነቲ ቀንዲ ናይ ዕደላ መስመሩ ዋዴ-በይሉል ቈሪጽካ፡ ብኹሊት ንምህራሙ ተወጠነ። ብ2 ሚያዝያ ከኣ፡ 6 ታንክታት፡ ሓንቲ በጦሎኒ ፓራኮማንዶን በጦሎኒ ረሻሽን ናይ ኩሊት መጥቃዕቲ ከፈታ። ጸላኢ ብዘይገመቶ ኣንፈት፡ ተዅሲ ምስ ተኸፍቶ ቀልጢፉ ዝርግርግ ኣተዎ።\n\nብድሕሪ’ዚ ህዝባዊ ሰራዊት ናብቲ ጽንኩር ከም ዝኸውን ድሮ ተገሚቱ ዝነበረ ውግእ በይሉል ኣተወ። እታ ካብ ዓሰብ 60 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝተደኮነት በይሉል፡ ብጽዑቕ ገረብ ዓርኮብኮባይ ዝተሸፈነት እያ። እቲ ጽዑቕ ኣግራብ ግን ንዘጥቅዕ ሓይሊ ኣጸጋሚ ነበረ። እንተዀነ ሰራዊት ጸላኢ ብልጫታቱ ክጥቀመሉ ኣይከኣለን። ህዝባዊ ሰራዊት፡ ብ6 ሚያዝያ ንበይሉል ኣጥቂዑ ተቘጻጸራ። ጸላኢ ከኣ፡ ካብ በይሉል ንደቡባዊ ምብራቕ ኣብ ዝርከብ ገዛኢ ቦታታት ሒዙ መከላኸሊ መስመሩ ኣደልደለ። ህዝባዊ ሰራዊት ብወገኑ፡ በይሉል ድሕረኡ ገይሩ፡ መከላኸሊ መስመር መስረተ። ካብ 9 ሚያዝያ ክሳብ 25 ግንቦት 1991 ድማ፡ ሰራዊት ጸላኢ ግስጋሰ ህዝባዊ ሰራዊት ዓጊቱ ካብቲ ቦታ ከምዝርሕቕ ብምግባር ዓሰብ ንምድሓን፡ ህዝባዊ ሰራዊት ብወገኑ፡ ዓሰብ ንምሓዝ ዘኽእሎ ኣገደስቲ ቦታታት ንምቍጽጻር ንኣስታት ወርሕን ክልተ ቅነን ናይ ምርብራብ ውግኣት ቀጸለ።   \n\nሓደ ካብ ዕላማታት ወፍሪ ደንከል፡ ካልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት ደርግ፡ ሓይሉን ኣቓልቦኡን ከም ዝመቓቐል ገይርካ፡ ካብቲ ኣብ ግንባራት ደቡብን ጊንዳዕን ኣሰሊፍዎ ዝነበረ ክፍለ-ጦራት ናብ ደንከል ከም ዝግዛዕ ብምግባር፡ ንናይ መጨረሽታ ደምዳሚ ኲናት ምቹእ ኩነታት ምፍጣር ነበረ። ከምቲ ዝተወጠኖ ድማ ደርግ፡ ንክፍለ-ጦራት 17፡ 22፡ 21 ከምኡ’ውን ሓያለ ብርጌዳት ፍሉይ ኮማንዶ፡ መካናይዝድን ካልኦት ወሃብቲ ደገፍ ኣሃዱታትን በብተራ ናብ ደንከል ኣግዓዞም። ብዘይካ’ዚ፡ ነቲ ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝግስግስ ዝነበረ ጥሙር ናይ ወያነን ህዝባዊ ግንባርን ሓይሊ ንምዕጋት፡ ክፍለ-ጦር 14 ንኢትዮጵያ ከም ዝግዕዝ ገበረ። \n\nSection::::ወፍሪ ስግረ-ዶብ.\nማዕረ-ማዕረ’ዚ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዝነበረ ውግኣት፡ ኣሃዱታት ወያነ ብመካናይዝድ ክፍለሰራዊት 74 ህዝባዊ ግንባር ደገፍ እናተገብረለን፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዓበይቲ ወፍርታት የካይዳ ነበራ። ኣሃዱታት መካናይዝድ ክፍለ-ሰራዊት 74 ካብቲ ኣብ 1989 ዝተኻየደ ዕዉት መጥቃዕቲ ሽረ ኣትሒዞም፡ ኣብ ጐድኒ ኣጋር ሰራዊት ወያነ ብምስላፍ፡ ኣብ ክፍለ ሃገር ወሎ ኣብ ኣላማጣ፡ ቆቦን ወልድያን ኣብ ዝተኻየዱ ወሰንቲ ዝዀኑ መጥቃዕቲታት ተሳቲፎም ክሳብ ግንባር ውጫለን ደብረታቦርን በጺሖም ነበሩ። መካናይዝድ ብርጌድ 23 ከኣ፡ ኣብቶም ናይ መጨረሽታ ዓበይቲ ወፍርታት ንምስታፍ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይ ጥሪ 1991 ናብ ኢትዮጵያ ኣተወ። ምስቶም ኣቐዲሞም ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሑ ኣሃዱታት ኮማንዶ ህዝባዊ ግንባር ብምውህሃድ ከኣ ተልእኾኡ ንምፍጻም ግዜ ከይወሰደ ንሰፊሕ ኲናት ኣብ ምቅርራብ ተጸምደ። መካናይዝድ ብርጌድ 23 ብሓደ በጦሎኒ ታንከኛ፡ በጦሎኒ መድፍዕ፡ በጦሎኒ ረሻሽ ከምኡ’ውን ጸረ-ታንክን ጸረ-ነፈርቲን ሚሳይላት ዝሓዙ ኣሃዱታት ዝቘመ ነበረ። እዚ ኣሃዱ`ዚ፡ ኣብ መስመር ወልድያ-ደብረታቦር ኣብ እትርከብ ሓውሲ ከተማ ገርገራ፡ ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ዝዕጠቕ ኣጽዋራት ማለት ታንክታት፡ መዳፍዕን ረሻሻትን ንምድላው፡ ብዘይዕረፍቲ ኣብ ከቢድን ኣህላኺን ዕዮ ተጸሚዱ ኣሕለፎ። ምድላዋቱ ኣጻፊፉ ድማ ተልእኾኡ ክፍጽም ተዳለወ። ብ4 ለካቲት 1991፡ ብኣሃዱታት ስለያ ወያነ፡ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ፡ ድልዳለን ዝርጋሐን ዕርድታት ሰራዊት ደርግ፡ ብዝሒን ዓይነትን ኣጽዋር፡ መንነት ኣሃዱታት ጸላኢን መስመራትን ኣንፈታትን መጥቃዕቲ. . . ዓሚቝን ዝርዝራዊን ሓበሬታ ምስ ተዋህቦ፡ ኣብ መበገሲ ቦታኡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተጠንቀቕ ከም ዝጸንሕ ተገብረ። ብ20 ለካቲት ድማ ካብ መበገሲ ቦታኡ ተንቀሳቒሱ፡ ንፋስ-ማውጫን ክምር-ድንጋይን ዝተባህላ ንኣሽቱ ከተማታት ሓሊፉ፡ ንየማናይን ጸጋማይን ኣንፈት መጥቃዕቲ ኣብ እትፈሊ ጋሳይ ዝተባህለት ንእሽቶ ዓዲ ኣተወ። ኣብዚ ቦታ’ዚ፡ እቲ ዘጥቅዕ ሓይሊ ናብ ክልተ ክንፍታት መጥቃዕቲ ተመቕለ። ብጸጋማይ ኣንፈት መጥቃዕቲ ዝተመደባ ኣሃዱታት፡ እስቴ ኣብ ዝተባህለ ዓዲ ክበጽሓ እንከለዋ፣ ብየማናይ ኣንፈት መጥቃዕቲ ዝተመደባ ኣሃዱታት ድማ፡ ብደብረታቦር ሓሊፈን ናብታ ቀንዲ መስመር ባህርዳር ጎንደር ዝሓልፈላ ከተማ ወረታ ኣምርሓ።  \n\nብ23 ለካቲት 1991 ሰራዊት ወያነን መካናይዝድን ኮማንዶን ህ.ግ.ን መስመር ባህርዳር ጎንደር ብምቑራጽ፡ ብርቱዕ መጥቃዕቲ ፈነወ። ብጸጋማይ ክንፊ ዝተንቀሳቐሰ ዝዓበየ መካናይዝድ ሓይሊን ኣጋር ሰራዊት ወያነን፡ ኣብ ጎልጎል ሃሙሲት ተገዲመን ምስ ዝጸንሖ ዓሰርተታት ታንክታት፡ ብርቱዕ ናይ ታንክ ብታንክ ግጥም ድሕሪ ምክያድ፡ ኣብኡ ዓሲኪሩ ዝነበረ ገዚፍ ክፋል ሰራዊት ደርግ ምሉእ ብምሉእ ደምሲሱ፡ ብ25 ለካቲት ከተማ ባህርዳር ኣተወ። ብየማን ዝተንቀሳቐሰ ሓይሊ ድማ፡ ካብ ወረታ ንምዕራብ መስመር ጎንደር ሒዙ ንከተማ ኣዲስ ዘመን ተቘጻጺሩ ብምግስጋስ ጎንደር ኣተወ። ብድሕሪ’ዚ ሰራዊት ወያነን ህዝባዊ ግንባርን፡ ኣብ ክፍለ ሃገር ጎጃም ዝርከባ ዱርቤቴ፡ ዳንግላ፡ ቡሬ፡ ፍኖተ ሰላም፡ ኣማኑኤል፡ ፓወ፡ ዝበሃላ ሓውሲ ከተማታት፡ ከምኡ’ውን ንመደበር ታዕሊም ብርሸለቆ ብምሓዝ፡ ክሳብ ዋና ከተማ ክፍለ ሃገር ጎጃም ደብረማርቆስ ዝርከብ ሰፊሕ ቦታታት ተቘጻጸረ። ክሳብ’ቲ ንክፍላተ ሃገር ጎጃምን ሽዋን ዝፈሊ ፈለግ ኣባይ (ሰማያዊ ኒል) ብምግስጋስ ከኣ፡ ኣብ ደጀን ዝተባህለ ቦታ ዓረደ። እዚ “ወፍሪ ቴድሮስ” ዝተሰምየ፡ ንክፍላተ ሃገርን ጎንደርን ጎጃምን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ወያነ ንምእታው ዝዓለመ ስርሒት ድሕሪ ናይ ክልተ ቅነ ዘየቋርጽ መጥቃዕትታት ብ8 መጋቢት ምሉእ ብምሉእ ሸቶኡ ሃሪሙ ተፈጸመ።\n\nስዒቡ ዝቐጸለ ካልእ ዓቢ ወፍሪ፡ ብቋንቋ ኦሮምኛ ወፍሪ “ቤሉሱማ ወልቄጡማ” (ወፍሪ ማዕረነትን ናጽነትን) ዝተሰምየ ንክፍለሃገር ወለጋ ሓራ ንምውጻእ ዝዓለመ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ እዩ ነይሩ። ናብዚ ወፍሪ’ዚ፡ ሰራዊት ወያነን ህዝባዊ ግንባርን ካብ ቡሬ - ጎጃም እዩ ተበጊሱ። ፈለማ ኣብ ከባቢ’ቲ ንክፍላተ ሃገር ጎጃምን ወለጋን ዝፈሊ ፈለግ ኣባይ ሓያል ውግእ ተኻየደ። ነቲ ፈለግ ድሕሪ ምስጋር ድማ፡ ኣብ ከባቢ ጉተንን ጽገማርያምን ዓስኪሩ ዝነበረ ሰራዊት ጸላኢ ድሕሪ ምብትታን፡ ንርእሰ ከተማ ክፍለ ሃገር ወለጋ ነቀምቴ ተቘጻጸረ። ድሕሪ ምትሓዝ ነቀምቴ ሰራዊት ወያነን ህዝባዊ ግንባርን፡ ቀንዲ መስመር ነቀምቴ ኣዲስ-ኣበባ ሒዞም ንቕድሚት ብምግስጋስ፡ ኣብ ፍንጫ፡ ሻምቡ፡ ጌዶን ጉደርን ምስ ሰራዊት ደርግ ብርቱዕ ግጥም ኣካይዶም ክሳብ ከተማ ኣምቦ 125 ኪ.ሜ. ምዕራብ ካብ ኣዲስ ኣበባ በጽሑ።    ብድሕሪ’ዚ፡ “ወፍሪ ዋልልኝ” ዝተሰምየ ንክፍላተ ሃገር ወሎን ሰሜንን ምዕራብን ክፍለ ሃገር ሽዋን ንምቍጽጻር ዝዓለመ ወፍሪ እዩ ተኻይዱ። እዚ ጎድኒ ጎድኒ መጥቃዕቲ ደቀምሓረ ዝጀመረ ወፍሪ፡ ኣብ ውሽጢ ሳልስቲ፡ ነቲ 25,000 ዝግመት ሰራዊት ዝነበሮ፡ ሳልሳይ ኣብዮታዊ ሰራዊት ኣብ ከበባ ኣእትዩ ብምድምሳስ፡ ንከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ወያነን ህዝባዊ ግንባርን ከምዝኣቱ ገበረ። ነቲ ቀንዲ መስመር ሒዙ ንከተማ ደብረዘይት ብምቁጽጻር ከኣ፡ ክሳብ ስንዳፋ በጺሑ፡ ንናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ኣዲስ ኣበባ ድልው ኮነ።  \n\nምፍራስ ግንባር ደቀምሓረን ሓርነት መላእ ኤርትራን\n\nድሕሪ ምድምሳስ ናደው ብ1988 ስርዓት ደርግ፡ ግዜ ሸሚቱ ወተሃደራዊ ምድላዋት ንምግባር፡ ንነዊሕ ግዜ ዝሕሰሞ ዝነበረ ዘተ ሰላማዊ ፍታሕ ክቕበል ተቐሲቡ እዩ። ብኡ መሰረት ድማ ኣቐዲሙ ብመንጎኝነት ካርተር (ፕረዚደን ኣመሪካ ነበር) ርክባት ይካየድ ነበረ። ድሕሪ ምምስራት ግንባር ደቡብ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ደንከልን ማእከል ኢትዮጵያን ዝካየድ ዝነበረ ዝተወሃሃደ መጥቃዕቲታት፡ ስርዓት ደርግ ተስፋ ስለዝቘረጸ፡ ግስጋሰ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባርን ወያነን ደው ንምባል ዝነበሮ እንኮ ኣማራጺ ሰላማዊ ዘተ ነበረ። በዚ መሰረት፡ ርክብ ስለዝጠለበ፡ ብመንጎኝነት ናይቲ ሽዑ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝነበረ ሀርማን ኮሀን፡ ኣብ መንጎ ህ.ግ.፡ ወያነን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን በቲ ሓደ፡ ስርዓት ደርግ ድማ በቲ ካልእ፡ ን25-26 ግንቦት 1991 ኣብ ለንደን ዘተ ሰላም ክካየድ ቈጸራ ተታሕዘ።  እዚ ቆጸራ’ዚ ተታሒዙ እንከሎ፡ ህዝባዊ ግንባር ብ19 ግንቦት 1991 ኣብ ግንባር ደቀምሓረ መጥቃዕቲ ፈነወ። ዕላማ ናይቲ መጥቃዕቲ፡ ንደቀምሓረን ከባቢኣን ተቘጻጺርካ፡ ኣብ ሰሓርቲ ብምዕራድ፡ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብከቢድ ብረት ፍጹም ኣልሚስካ፡ ንሎጀስቲካዊ ቀረብ ሰራዊት ደርግ ምሉእ ብምሉእ ብምዕጻው፡ ኣብ ዘተ ሰላም ለንደን ላዕለዋይ ኢድ ሒዝካ ምእታው፡ ውጽኢት ናይቲ መጥቃዕቲ ገምጊምካ ድማ፡ ንናይ መጨረሽታ መጥቃዕቲ  ኣስመራ ድልው ምዃን ነበረ። \n\nSection::::ኣሰላልፋ ሰራዊት ጸላኢ.\nSection::::ቅድሚ ውግእ ዝነበረ ዓቕሚ ጸላኢ.\nቅድሚ ውግእ ምጅማሩ ኣብ ግንባር ደቡብ ደርግ፡ ኣርባዕተ ብርጌዳት ናይ 10 ክፍለ-ጦር ምስ ሓደ ኮማንዶ ሻለቃ፣ 2 መካናይዝድ ክፍለ-ጦር ምስ ፍሉይ ኮማንዶ ብርጌድ፣ ክፍለጦር 18፡ ምስ ሓደ ኮማንዶ ሻለቃ፣ መካናይዝድ ብርጌድ 29፣ መካናይዝድ ብርጌድ 16፣ ከምኡ’ውን 3 ሞቶራይዝድ ክፍለ-ጦር ምስ ሓደ ፍሉይ ኮማንዶ ብርጌድን ሓደ ኮማንዶ ሻለቃን ኣሰሊፉ ነበረ። ኣብ መስርሕ’ቲ ውግእ ጸላኢ፡ ንተራራ ክፍለ-ጦር 19 ካብ ኣስመራ፡ ክልተ ብርጌዳት ናይ ክፍለ-ጦር 21 ካብ ዓሰብ፡ ክልተ ብርጌዳት ሓለዋ ከባቢ ኣስመራ (ኣዙጥ - ኣስመራ ዙርያ ጥበቃ)፡ ሓደ ብርጌድ ናይ ክፍለ-ጦር 29 ካብ ግንባር ከረን፡ ሓደ ብርጌድ ካብ ከባቢ ምሕላብ፣ ከምኡ’ውን “ዮሃንስ”ን “ካሌብ”ን ዝተባህሉ ብተጋሩ ምሊሻ ዝቘሙ ክልተ ብርጌዳት፡ ሚሊሻ ስርናይ ኤርትራን ካልኦት ሻለቃታትን ናብቲ ግንባር ደረበ። ትግራይ ካብ ስርዓት ደርግ ሓራ ምስ ኰነት፡ እቶም ናይ ትግራይ ሚሊሻ ምስ ካልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት ደርግ ተሰሊፎም ኣንጻር ህዝባዊ ግንባር ከም ዝተዋግኡ ይፍለጥ። እዞም ዕጡቓት ሚሊሻ፡ ኣሉላ፡ ዮሃንስ፡ ካሌብ ዝብል ኣስማት ነበሮም። እቶም ኤርትራዊያን ሚሊሻ ከኣ ዘርኣይ ደረስ፡ ኣሰፋስላምሳ፡ ኣብርሃ ዶቦጭ ተባሂሎም ይጽውዑ ነበሩ። \n\nኣብዚ ወሳኒ ግጥም’ዚ ጸላኢ ዓጢቕዎ ዝነበረ ኣጽዋር፡ ልዕሊ 20 ናይ 130 ሚሊ ሜትር መድፍዕ፡ ኣስታት 60 ናይ 122 ሚሊ ሜትር መድፍዕ፡ ሸሞንተ ቢ.ኤም 21፡ ዓሰርተክልተ ቢ.ኤም 24፡ ኣስታት 60 ታንክታት፡ ሞርታራት፡ ዓበይትን ማእከሎትን ረሻሻት፡ ጸረታንክ ሚሳይላት፡ ነፈርቲ ውግእን ሄሊኮፕተራትን ዘጠቓልል ነበረ። ኣብ ርእሲ’ዚ መከላኸሊ መስመር ጸላኢ፡ ንኣስታት ሓደ ዓመት ዝተዓርደ ስለ ዝነበረ፡ ብኣዝዩ ብዙሕ ነተጕቲ ዝተሓጽረን ብቐሊሉ ዘይስገርን ነበረ። \n\nSection::::ኣሰላልፋ ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት.\nኣብዚ መድረኽ’ዚ፡ ህዝባዊ ሰራዊት ብዓቕሚ ሰብን ኣጽዋርን፡ ካብ ቅድሚኡ መድረኻት ብተዛማዲ ዝደልደለ  ብምንባሩ ኣቃውማኡ ናብ ደረጃ ኮራት ደይቡ ነበረ። በዚ መሰረት ኣብ ግንባር ደቀምሓረ ዓሪደን ዝነበራ ክልተ ኮራት፣ ንክፍላተ ሰራዊት 52ን 96ን ዝሓዘት ኮር 381፡ ንክፍላተ-ሰራዊት 70ን 16ን ዝሓዘት ኮር 491 ነበራ። ካብ ኮር 271 ከኣ ክፍለሰራዊት 85 ካብ ግንባር ጊንዳዕ ተሳሒባ ኣብ ድሮ’ቲ መጥቃዕቲ ኣብ ግንባር ደቀምሓረ ተሰለፈት። ብኣጠቓላሊ ኣብዚ ግንባር’ዚ ዝተሰለፋ ኣሃዱታት ህዝባዊ ግንባር፡ ኣርባዕተ ክፍላተ-ሰራዊት ኰይነን፡ ክልተ መካናይዝድ ብርጌዳት ማለት ብርጌድ 73 ብርጌድ 34 ናይ መካናይዝድ ክፍለ-ሰራዊት 74፡ ኣብ ብምሉኡ’ቲ ግንባር ተዘርጊሐን ነበራ። ብዘይካ’ዚ ካብ ክፍለ-ሰራዊት 16ን 85ን ሓሓደ በጦሎኒ ኣብ ግንባር ዓሰብ ክስለፋ እንከለዋ፡ ካብ ብርጌድ 49 ናይ ክፍለ-ሰራዊት 96 ክልተ በጦሎኒ፡ ምስ ክፍለ-ሰራዊት 52 ተደሪበን ኣብዚ ግንባር ተሳተፋ። ብዓቕሚ ኣጽዋር ህዝባዊ ሰራዊት፡ 12 ናይ 130 ከምኡ’ውን 40 ናይ 122 ሚሊ ሜትር መዳፍዕ፣ ቢ.ኤም 21 ወንጫፊ ሮኬት ከምኡ’ውን 45 ዝዀና ታንክታት፡ ብብዝሒ ሞርታራት፡ ረሻሻት፡ ጸረ-ታንክን ጸረ-ነፈርትን ሚሳይላት፡ ካልእ ኣጽዋራትን ኣሰሊፉ ነበረ። \n\nSection::::ውጥን መጥቃዕቲ.\nውጥን ናይቲ መጥቃዕቲ ብመንጽር ኣሰላልፋ ኣሃዱታት ከምዚ ዝስዕብ ነበረ። ክፍለ-ሰራዊት 52 ካብ ሰሰብ ክሳብ ከባቢ ሕረት ብምጥቃዕ፡ ብየማናይ ጫፍ ክሳብ ሰፈር-ኣጣልን መጻሉን ክትበጽሕ፣ ክፍለ-ሰራዊት 85፡ ካብ ከባቢ ሕረት ክሳብ ዓዲሃርም ዘሎ ቦታታት ጸላኢ ተቘጻጺራ፡ ነቶም ኣገደስቲ ጎቦታት ዓዲሃርምን ከባቢኡን ብምሓዝ ናብ ጐልጎል ሓመስ ክትቅልቀል። ክፍለ-ሰራዊት 16 ኣብ ከባቢ ዓዲሃርም ምስ ክፍለ-ሰራዊት 85 ተራኺባ ንጎቦታት እራርን ጉራዕን ብምሓዝ ዓዲ-ጐልጎል ክትቈጻጸር። ክፍለ-ሰራዊት 70 ካብ ጉራዕ ንጸጋም ከባቢ ውጡሕ፡ ትኹልን ጸጓሮን ተቘጻጺራ ንቕድሚት ክትቅጽል። ብሸነኽ የማን ድማ ኣብ ግንባር ዓላ-ዓዶሮሶ ዝነበራ ኣሃዱታት፡ ኣብ ቅድሚአን ዝጸንሐ ሰራዊት ጸላኢ ጸራሪገን ማዕረ’ቲ ከባቢ ደቀምሓረ ዝበጽሐ ኣሃዱታት ክኣስራ፡ ደቀምሓረ ምስ ተታሕዘት ከኣ ብሸነኽ ምብራቕ ምስኡ ለጊበን ናብ ዝባውንቲ ኣውልዕ ጾሩ ከምርሓ ዝብል ነበረ።\n\nቀዳማይ ገጽ መጥቃዕቲ ክልተ መድረኻት ነበሮ። ቀዳማይ መድረኽ፡ ንክፍለ-ሰራዊት 16ን 85ን ከምኡ’ውን 52 ብሓባር ዝምልከት ቀንዲ ዕማም ኰይኑ፡ ኣብ ከባቢታት ሰሰብ፡ ኣፈልባ፡ ሕረት፡ ዓዲ-ሃርም፡ እራርን ጉራዕን ዝርከብ ኣገደስቲ ቦታታት ክቈጻጸራ። ካልኣይ መድረኽ፡ ንክፍለ-ሰራዊት 70 ጥራይ ዝምልከት ኰይኑ፡ ተልእኾ ቀዳማይ መድረኽ ምስ ተፈጸመ፡ ካብ ጉራዕ ንጸጋም ዘሎ ቦታታት ብፍላይ ከባቢ ውጡሕ ኣጥቂዑ፡ ንጸጓሮ ክቆጻጸር ዝብል ነበረ።   መስርሕ ውግእ በዚ ዝተጠቕሰ ሓፈሻዊ ውጥን መሰረት መጥቃዕቲ ግንባር ደቀምሓረ፡ ሰንበት 19 ግንቦት 1991 ሰዓት 10፡00 ቅድሚ ቐትሪ ጀመረ። ክፍለ-ሰራዊት 52 በቲ ዝተዋህባ መደብ መሰረት፡ ንሰሰብ ገማግም ሰፈር-ኣጣልን ኣፈልባን ተቘጻጸረት። ኣብ መስመር መጥቃዕቲ ናይዛ ክፍለ-ሰራዊት ኣብ ዝተወሰነ ቦታ፡ ማለት ኣብ ናይ ሓንቲ በጦሎኒ ቦታ፡ ጸላኢ ተሪሩ ምሕላፍ ስለዝኸልኣ፡ ብየማነ ጸጋም ከም እትሓልፍ ብምግባር ሓይሊ ጸላኢ ኣብ ማእከል ተቘሪጹ ከም ዝተርፍ ተገብረ። \n\nSection::::ውዕሎ 20 ግንቦት.\nንጽባሒቱ ኣብ ዝተገብረ ውግእ፡ በቲ ኣቐዲሙ ዝወጸ ውጥን መጥቃዕቲ መሰረት፡ ኣሃዱታት ክፍለ-ሰራዊት 70 ቦታአን ሒዘን ስለ ዝጸንሓ፡ ቀዳማይ ድፋዕ ጸላኢ ብምፍራስ፡ ምዕራብ ካብ ትኹል ንዝርከብ፡ ጸላኢ ረዳት ከምጽኣሉ ዝኽእል ኣገደስቲ ቦታታት ከባቢ ኮርባርያ ተቘጻጺረን ሓደራ።\n\nክፍለ-ሰራዊት 16 ካብቲ ዝሓደረቶ ጉራዕ ተበጊሳ፡ ንጸጋም ወገን ብምንቅስቓስ ሰዓት 11፡ 00 እንዳ-ኣመሪካ ተቘጻጸረት። ግስጋሰኣ ብምቕጻል ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ ናብ ከባቢ ዓዲጐልጎል ተጸግዐት። በቲ ዝወጸ መደብ መሰረት፡ ሰዓት 17፡00 ጸጓሮ ንምቍጽጻር፡ ካብ ዓዲ-ጐልጎል ንኣምሁር ዝወስድ ጐልጎል ክትቁርጽ ሰሜን ካብ ትኹል ኣብ ዝርከብ ሓጸርቲ ኩጀታት ምስ በጽሐት፡ ጸላኢ ነቲ ከፋት ቦታ መዝሚዙ፡ ብታንክታትን መዳፍዕን ተሰንዩ፡ ነታ ውሽጢ ዝኣተወት ሓንቲ ቦጦሎኒ ናይ ክፍለ-ሰራዊት 16 ተሳሃላ፣ ሕማቕ ውጽኢት ከኣ ኣስዓበ። ኣሃዱታት ክፍለ-ሰራዊት 16፡ ብየማነን ዝነበራ ካልኦት ኣሃዱታት ገና ስጕምቲ ከይወሰዳ ንበይነን ናብ ዓዲ-ጐልጎል ምእታወን ውጽኢቱ ኣሉታዊ ነበረ። ጸላኢ ብኻልእ ከባቢ ጸቕጢ ስለ ዘይነበሮ፡ ነቲ ዝኣተወ ሓይሊ ኣኽቢቡ ከቢድ ክሳራ ክውረድ ከኣለ። ጸኒሑ፡ ብየማንን ጸጋምን ዝነበራ ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት ስጕምቲ ምስ ወሰዳ ግን ኣሃዱታት ክፍለሰራዊት 16 ናብ ሸቶአን ክበጽሓ ከኣላ።\n\nጸላኢ፡ ናብዚ ዕለት’ዚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፡ ነቲ ብኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት ዝተታሕዘ ኣገደስቲ ቦታታት ንምምላስ፡ ተራራ ክፍለ-ጦራት 18ን 19ን ከምኡ’ውን መካናይዝድ ብርጌዳትን ካልኦት ኣሃዱታቱን ኣሰሊፉ፡ ብዝተፈላለየ ቦታታት ብፍላይ ከኣ ብወገን ኣፈልባን እራርን ሓያል ጸረ-መጥቃዕቲ ከካይድ ሓደረ። እንተዀነ ዘምጽኦ ለውጢ ኣይነበረን። \n\nእዚ ውግእ’ዚ እናተኻየደ እንከሎ፡ ህዝባዊ ሰራዊት፡ ኣብቲ ዕለት’ቲ ብመድፍዕ 130 ሚሊ ሜትር ንመዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣጽዒቑ ክድብድብ ወዓለ።\n\nSection::::ውዕሎ 21 ግንቦት.\nኣብዚ ዕለት’ዚ፡ መጥቃዕቲ ሰዓት 5፡00 ናይ ንግሆ እዩ ጀሚሩ። ክፍለ-ሰራዊት 52 ድሕሪ ናይ ውሱን ሰዓታት መሪር ኲናት ንደቀምሓረ ሰዓት 11፡30 ተቘጻጺራ ግስጋሰኣ ብምቕጻል ናብ ደቂናዞ ሓለፈት። እቲ ብቐይሕኮርን ኩርባዝብእን ዝነበረ ኣሃዱታት ግን፡ ነቲ ዝተዋህቦ ዕማም መብዛሕትኡ ዓሚምዎ’ኳ እንተነበረ፡ ብፍላይ ንስትራተጂያዊት ቦታ ብራኸ ነጥቢ1904 ግን ከይተቘጻጸራ ሓደረ።\n\nክፍለ-ሰራዊት 85 ብወገና፡ ሰዓት 5፡30 መጥቃዕታ ጀሚራ ብጸጋማይ ወገን ዝተፈነወላ ጸረ-መጥቃዕቲ ጸላኢ ኣምከነት። ዝተወሰና ኣሃዱታት ናይዚ ክፍለ-ሰራዊት፡ ምስ ኣሃዱታት ክፍለ-ሰራዊት 52 ብምዃን ገለ ክፋል ደቀምሓረ ምስ ሓዛ፡ ጸላኢ ብሸነኽ ኣምሁር ካብ ዝነበራ ታንክታት ናብ የማን ብምንቅስቓስ፡ ነቲ  ቅድሚኡ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ ቦጦሎኒ ናይ ክፍለ ሰራዊት 16 ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ብዝመሳሰል መገዲ ንኣሃዱታት ክፍለ-ሰራዊት 85 ክጭፍልቕ ተሃንደደ። ኣንፈት ምንቅስቓሱ ብማዕዶ ምስ ተራእየ ከኣ፡ ካብተን ምስ ክፍለሰራዊት 52 ዝነበራ ታንክታትን ጸረ-ታንክን ብቕልጡፍ ኣብታ ብርጌድ ተደሪበን ኣድብየን ከምዝጽበይኦ ተገብረ። በዚ ድማ፡ እቲ ተሃንዲዱ ዝመጸ ታንከኛ ኣሃዱ ሰራዊት ጸላኢ፡ ኣብ ሓንቲ ደቒቕ 4 ታንክታት ተቓጸላኦ። በዚ ዝተሰናበደ ጸላኢ ዝተረፋ ታንክታቱ ንድሕሪት መሊሱ ናብ ኣምሁር ክሰግር ተገደደ። ድሕሪ’ዚ ኣሃዱታት ክፍለ-ሰራዊት 85 ምስ ክፍለሰራዊት 52 ብምትእስሳር፡ ደቀምሓረ ሓሊፈን ናብ ታባታት ኣውሊዕ-ጾሩን ደቂናዞን ወጺአን ሓደራ።  ኣብ ወጋሕታ ናይዚ ዕለት’ዚ ኣሃዱታት ክፍለ-ሰራዊት 16 ዘጥቅዓሉ ቦታታት ስለዘይጥዓመን ምስቲ ብየማናይ ሸነኽ ዝነበረ ግስጋሰ ህዝባዊ ሰራዊት ክስጕማ ኣይከኣላን። ጸላኢ ዓጊቱወን ወዓለ። ብየማን ዘጥቅዓ ኣሃዱታት ደቀምሓረ ምስ ኣተዋ ግን፡ ኣሃዱታት ክፍለሰራዊት 16 ቅድመአን ዝነበረ ሓይሊ ጸላኢ ጸራሪገን፡  ብዘይ ብዙሕ መሰናኽል ንጸጓሮን ኣምሁርን ክቆጻጸራ ከኣላ። ብድሕሪ’ዚ ብቕልጡፍ ንቕድሚት ገስጊሰን ካብ ከባቢ ኣውሊዕ-ጾሩ ንሸነኽ ኣድግና ዘሎ ተረተር ቦታታት ሒዘን ሓደራ።\n\nኣብዚ ዕለት’ዚ ክፍለ-ሰራዊት 70 ካብቲ ዝሓደረትሉ ከባቢ ኮርባርያ ብምብጋስ፡ ንኮርባርያ ሓሊፋ፡ ንመስመር ደቀምሓረ-ተራእምኒ ብምቁጽጻር፡ ንጸጓሮ ንየማን ገዲፋ ንዓራቶን ደንገልን ዘተኣሳስር ብራኸታት ሒዛ ብሸነኽ የማን ምስ ክፍለ-ሰራዊት 16 ተኣሳሰረት። ብጸጋማይ ግንባር እዚ መጥቃዕቲ’ዚ እናተኻየደ እንከሎ፡ እቲ ኣብ ደቀምሓረን ትኹልን ዓሪዱ፡ ነቲ ግንባር ሓኒቑ ሒዝዎ ዝነበረ ናይ ጸላኢ መበል 16 ሰንጥቕ መካናይዝድ ብርጌድን፡ መበል 29ን 5ይን 3ይን ሜካናይዝድ ብርጌዳትን መስመር ከይብተኾም ተቐዳዲሞም ብኮርባርያ ኣቢሎም ንተራእምኒ ገጾም ሃደሙ። ብድሕሪ’ዚ እቲ ኣብ ፎርቶ ደቀምሓረ መአዘዚ ኮር 609 መከላኸሊ መስመር ሒዙ ክገጥም ዝፍትን ዝነበረ መበል 18 ተራራ ክፍለ-ጦር ንድሕሪት ስሒቡ መአዘዚኡ ኣብ ወቐርቲ ገበሮ። ኣብዚ ዕለት’ዚ፡ 21 ግንቦት 1991፡ ኣብ ግንባር ደቀምሓረ፡ ወግእ ብኸምዚ እናቐጸለ እንከሎ፡ መራሒ ደርግ ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም፡ ካብ ሃገር ከም ዝሃደመን፡ መተካእታኡ ድማ ምክትል ፕረሲደንት ዝነበረ ሌተና ጀነራል ተስፋየ ገብረኪዳን ብግዝያውነት ስልጣን ከምዝተረከበን ብማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ተኣወጀ።   \n\nSection::::ውዕሎ 22 ግንቦት.\nኣብዚ ዕለት’ዚ ክፍለሰራዊት 85 ሰዓት 6፡15 ንግሆ መጥቃዕቲ ብምጅማር፡ ብየማን ኣብ እግሪ ወቐርቲ ዝርከብ ታባታት ሒዙ፡ የማነ-ጸጋም ጽርግያ ከምኡ’ውን ንዓዲ ዛምርን ዝባን ኣንገብን ድሕሪ ምቍጽጻር፡ ኣብ ከባቢ ክሳድ ጉዋን ከባቢ ወርዕዝን በጽሐ። ወርዕዝ ኣዝዩ በሪኽ ቦታን ድልዱል ድፋዓት ዝነበሮን ዕርዲ እዩ። ኣሃዱታት 85 ኣብዚ ዕለት’ዚ ውርዕዝ ንምቁጽጻር ክልተ ግዜ ዘካይድኦ ህጁም ክሰልጠን ስለዘይከኣለ፡ ኣብ ከባቢኡ ክሓድራ ተገደዳ።\n\nክፍለ-ሰራዊት 52፡ መጥቃዕቱ ሰዓት 7፡30 ንግሆ ብደቂናዞ’ዩ ጀሚሩ። ከባቢ ሰዓት 11፡ 00 ከኣ ንወቐርቲ ተቘጻጸረ፡ ብድሕሪ’ዚ ግስጋሰኡ ብምቕጻል ንዓደርዓዳ ክኣቱ ፈተነ። ጸላኢ ሓድሽ ሓይሊ ኣምጺኡ ጸረ-መጥቃዕቲ ስለዝፈነወ ግን፡ ዓደርዓዳ ከይኣተወ ኣብ ጫፍ ናይቲ ዓዲ ዝርከብ ታባታት ሒዙ ክዋጋእ ሓደረ። እዚ እናኾነ ብወገን ሰሳሕ ዝነበረ ኣሃዱታት ናብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዝባውንቲ ወቐርቲ ክወጽእ እንከሎ ብጐላጉል ዝኸደ ከኣ ጋዴን ተቘጻጺሩ ሓደረ።  ክፍለ-ሰራዊት 16 ካብ ተረተር ኣውሊዕ-ጾሩ-ኣድግና ወጋሕታ ተበጊሱ፡ ብዓዲዛምር ገይሩ ካብ ዳምባ ክሳብ ምዕራብ ወርዕዝ ዘሎ ቦታታት ድሕሪ ምቍጽጻር፡ ኣብ ዳምባ ዝርከብ ክልተ ፎርቶታትን ንኣዛይሐን ከባቢኣኡን ብቐሊሉ ብምቁጽጻር ኣብኡ ሓደረ።\n\nክፍለ-ሰራዊት 70 ካብ ኮርባርያን ከባቢኡን ተበጊሱ፡ ገለ ክፋሉ ንጽርግያ ሽከቲ ቆሪጹ፡ ንመንጉዳ ወገን ክጽጋዕ እንከሎ፡ ገለ ክፋሉ ከኣ ንድባርዋ ዘቆጻጽር ታባታት ዓዲራእሲ ድሕሪ ምሓዝ፡ ምሸት ሰዓት 20፡00 ንድብርዋ ተቘጻጸራ። ገለ ክፋል ኣሃዱታቱ ከኣ ንተራእምኒ ገጸን ኣምርሓ። ይኹን እምበር ተራእምኒ ከይበጻሕካ ኣብ ዝርከብ ጐልጎል፡ ጸላኢ 20 ታንክታትን ብርክት ዝበለ ሰራዊትን ኣሰሊፉ ስለዝነበረ፡ ተዓጊተን ተራእምኒ ከይኣተዋ ሓደራ። \n\nSection::::ውዕሎ 23 ግንቦት.\nኣብዚ ዕለት’ዚ ክፍለሰራዊት 52 መጥቃዕቱ ሰዓት 5፡30 ናይ ንግሆ ብምጅማር፡ ሰዓት 11፡00 ኣብ ዓደርዓዳን ጉዋን ዝሓደረ ሰራዊት ጸላኢ ጸራሪጉ፡ የማነ-ጸጋም ጽርግያ ሒዙ ብምግስጋስ፡ ንዝግብ ተቖጻጺሩ ዓዲ-ሓውሻ ኣብ ቅድሚኡ ገይሩዋ ሓደረ። እቲ ብጋዴን ዝደየበ ኣሃዱታት ድማ ንክሳድ ቀጸላ ሒዙ፡ ኣብኡ ድሕሪ ምጥርናፍ ዝግብ ኣትዩ ሓደረ።\n\nኣብ እግሪ ወርዕዝ ዝሓደረ ክፍለ-ሰራዊት 85፡ በቲ ዝነበሮ ውሑድ ዓቕሚ ሰብን ሞርታራትን ንወርዕዝ ክቈጻጸር መጥቃዕቲ እኳ እንተፈነወ፡ ብሸነኽ ጸጋም ከይተራእየ ዝጸንሐ ሓደ ሻለቃ ጸላኢ ብጎድኒ ከጥቅዖ ስለዝፈተነ፡ መደቡ ከይሰለጦ ንድሕሪት ተመልሰ። ጸኒሑ ግን ሰቡን ኣጽዋርን ዳግም ወዲቡ ዘየላቡ መጥቃዕቲ ብምፍናው ንወርዕዝ ተቘጻጸራ። ኣብ ቅድሚኡ ዝገጠሞ ሓያል ተቓውሞ ናይ ጸላኢ እናመከተ ድማ፡ ንሰራዊት ጸላኢ እናደፍአ ንቕድሚት ብምቕጻል፡ ንእምበይቶ፡ ዓዲቐንሺ ዓደ-ሕደሮምን ተቘጻጸረን።\n\nብምዕራብዊ ሸነኽ ወርዕዝ ዝነበረት ክፍለ-ሰራዊት 16፡ ወርዕዝ ከይተታሕዘ ክትገብሮ ትኽእል ስለዘይነበረ፡ ኣብዚ ዕለት’ዚ፡ ኣሃዱታት ክፍለ-ሰራዊት 16 ኵነታት ወርዕዝ እናተኸታተላ፡ ኣተሓሕዛአን ከመዓራርያ ኣርፈዳ። ድሕሪ ምትሓዝ ወርዕዝ ከኣ፡ መጥቃዕቲ ብምፍናው ንዓዲቐሺ (ምስ ክፍለ-ሰራዊት 85 ብምትሕግጋዝ)፡ ንዓዲ-ሃከፋ፡ ብድሕሪኡ ድማ ዓዶምዘማት\n\nኣብዚ ዕለት’ዚ ወጋሕታ፡ ኣብ ከባቢ ተራእምኒ ኰይኑ ክከላኸል ዝሓደረ ጸላኢ ታንክታቱ ሒዙ ናብ ድባርዋ ኣምርሐ። ነተን ኣብኡ ዝነበራ ኣሃዱታት ክፍለ-ሰራዊት 70 ፈንጢሱ ናብ ኣስመራ ክሓልፍ ድማ ዝከኣሎ ፈተነ። በዚ ፈተነ’ዚ ውሑድ ሰራዊትን ሰለሰተ ታንክታትን ናብ ኣስመራ ሓሊፈን እየን። እቲ ዝተረፈ ሰራዊትን ታንክታትን ግን ክሓልፍ ስለዘይክኣለ ተማረኸ።   ድሕሪ’ዚ ገለ ክፋል ኣሃዱታት ክፍለ-ሰራዊት 70 ናብ መንደፈራ ብምግስጋስ ሰዓት 13፡00 ቀትሪ መንደፈራ ኣተዋ። ጕዕዞአን ቀጺለን ድማ ዓዲዃላ በጽሓ። ኣብ ዓዲዃላን ከባቢኣን ዝነበረ ሓይሊ ጸላኢ፡ 22 ግንቦት ናብ ትግራይ ክሰግር ኣብ ክሳድ ዒቃ ብሓንቲ ብርጌድ ዞባዊ ሰራዊትን ኣሃዱታት ሃንደሳን ተዓጊቱ፡ ኢዱ ሂቡ ብረቱ ኣራጊፉ ንትግራይ ሰጊሩ ጸንሖም።   እቲ ካብ ድባሩዋ ብሽከቲ ኣቢሉ ንመንጉዳ ዝገስገሰ ኣሃዱታት፡ ቅርጺ መሬት ስለ ዘይሓገዞ ኣብዚ ዕለት’ዚ መንጉዳ ክቈጻጸር ኣይከኣለን። ይኹን እምበር ገለ ኣሃዱታት ናይዛ ክፍለሰራዊት ለይቲ ንምዕራብ ተዘርጊሐን ዝባን ወጺአን ሓደራ። \n\nSection::::ውዕሎ 24 ግንቦት.\nኣብዚ ዕለት’ዚ ኵለን ኣሃዱታት በብዝነበራኦ ሸነኽ ተወሃሂደን መጥቃዕተን ብምቕጻል ንቕድሚት ቀጸላ። ክፍለ-ሰራዊት 52 ብዝገስገሰትሉ ኣንፈት፡ ጸላኢ ብዘይገለ ተቓውሞ ክሃድም ስለ ዝጀመረ፡ ገለ ኣሃዱታት የማነ-ጸጋም ጽርግያ ኣስመራ ዓዲ-ሓውሻ ሒዘን ንኩርባእምበይቶ ክድይባ እንከለዋ፡ ከባቢ ሰዓት 11፡00 ከኣ ብሎኮ ጎዳይፍ በጽሓ። ገለ ክፋል ኣሃዱታት ክፍለ-ሰራዊት 52፡ ብሸነኽ ዓዲ-ሓውሻን ጸሎትን ኣስመራ ድሕሪ ምእታው፡ ካብ ግንባር ጊንዳዕን ዓዲሮሶን ተደፊኡ ከመጽእ ዝኽእል ሰራዊት ጸላኢ ንምዕጋት ብቕልጡፍ ብማይጭሆት ኣቢለን ናብ ቤትገርግሽን ኣምርሓ። እቲ ካብ ግንባር ጊንዳዕን ዓዶሮሶን ዝተደፍአ ብርክት ዝበለ ሰራዊት ጸላኢ ኣብ ቤትገርግሽ ቅሩብ ተቓውሞ ክገብር ፈቲኑ ነበረ። ይኹን’ምበር እዘን ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት ብቐሊሉ ተቘጻጸራኦ። ጸላኢ ንኣስመራ ገዲፉ ይሃድም ስለ ዝነበረ ከኣ ክፍለ-ሰራዊት 52 መጥቃዕታ ኣብዚ ዛዘመት።\n\nክፍለ-ሰራዊት 85 ኣብዚ ዕለት’ዚ ዝዀነ ይኹን ናይ ጸላኢ ተቓውሞ ከይገጠማ፡ ኩርባእምበይቶ ንየማን፡ መርሓኖ ንጸጋም ብምግባር ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣተወት።\n\nኣብዚ ዕለት’ዚ ገለ ኣሃዱታት ክፍለ-ሰራዊት 70፡ ካብ ሰላዕዳዕሮ ንምዕራብ ዘሎ ቦታታት ተቘጻጸራ። ናብቲ ታንክታት ሒዙ ኣብቲ ቦታ ዕግሽግሽ ክብል ዝጸንሐ ሰራዊት ጸላኢ ኢዱ ንክህብ፡ ብሓደ ምሩኽ ደብዳበ ልኢኸን ከኣ እቲ ሰራዊት ምስ ታንክታቱ ከምዝማረኽ ገበራ። ዝተረፋ ኣሃዱታት ከኣ ነቲ ንምዕራብ ገጹ ዝሃድም ዝነበረ ሰራዊት ጸላኢ ንምትራፍ ብዳዕሮቓውሎስን ቁሸትን ኣቢለን ናብ ጸዓዘጋ፡ ዓዲገብሩን ደናጉልን ብምንቅስቓስ ብኡ ክሃድም ንዝተፈተነ ሰራዊት ጸላኢ፡ ምስ ንብረቱ ማረኸኦ። እተን ብምዕራብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ዝኣተዋ ኣሃዱታት ክፍለ ሰራዊት 70 ብወገነን ንመዓስከራት ትራክ-ሲን ትራክ-ቢን ቁሸትን ብምቁጽጻር መጥቃዕተን ዛዘማ። እተን ንዓዲዃላን ክሳድ-ዒቃን ገጸን ኣቢለን ዝነበራ ኣሃዱታት ከኣ፡ ወጋሕታ 24 ግንቦት፡ ካብ መንደፈራ ተበጊሰን ብመገዲ ዓረዛ፡ ባረንቱ ኣተዋ። ምስተን ኣብኡ ዝጸንሓ፡ ካብ ግንባር ከረን ዝመጻ ኣሃዱታት ብሓባር ክሳብ ተሰነይ ብምቕጻል ድማ ተበታቲኑ ናብ ሱዳን ገጹ ዝሃድም ዝነበረ ኣስታት 80 ሽሕ ሰራዊት ደርግ ማሪኸን ዕማመን ዛዘማ። \n\nእቲ ብግንባር ደቀምሓረ ዝጀመረ፡ ዛዛሚ መጥቃዕቲ በተን ኣብቲ ግንባር ተመዲበን ዝነበራ 4 ክፍላተ-ሰራዊት ማለት 16፡ 52፡ 70፡ 85 ምስ መካናይዝድ ብርጌዳት 73ን 34ን ካልኦት ደገፍቲ ኣሃዱታትን ዝተኻየደ፡ ዕዙዝ ኣበርክቶ ሓፋሽ ህዝቢ ዝነበሮ እዩ። 23 ግንቦት ጸላኢ ንኣስመራን ከረንን ገዲፉ ክሃድም ኣንፈቱ ናብ ተሰነይ ምስ ኣቕንዐ፡ ኣብ ግንባር ከረን ዝነበራ ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት፡ ናብ ከባቢ ሓሊብ-መንተል ብምንቅስቓስ ብድብያ ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊትን ኣጽዋርን ጸላኢ ከትርፋ እንከለዋ፡ ገሊአን ንከባቢ፡ ባረንቱ ተሰነይ ብምሕላፍ ብርክት ዝበለ ሰራዊትን ኣጽዋርን ኣብ ምምራኽ ልዑል እጃም ኣበርኪተን እየን። ብዘይካ’ዚ ኣብ ባረንቱ ዝነበሩ ኣባላት ወተሃደራዊ ሃንደሳን ካልኦት ናይ ክፍልታት ተጋደልቲን፡ ነቲ ዝሃድም ዝነበረ ሰራዊት ንምምራኽን ንብረቱ ንምትራፍን ዓቢ ኣበርክቶ ገይሮም እዮም።\n\nኣብ ጽባሕ ምትሓዝ ኣስመራ፡ ብ27 ግንቦት 1991 ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ጸላኢ ንዝነበረት  ዓሰብ ንምቍጽጻር ተበግሶ ወሰደ። እዚ ምስቲ ኣዲስኣበባ ንምቍጽጻር ዝካየድ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ማዕረ ክስጕም እዩ ተወጢኑ። ሰራዊት ጸላኢ ተሪሩ ክምክት ስለዘይክኣለ ግን፡ ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ዓሰብ ተቘጻጸረ። ኣብታ ከተማ ዝነበረ ዝበዝሕ ሰራዊት ክማረኽ እንከሎ፡ ዝተረፈ ድማ ንጅቡቲን የመንን ሃደመ። ማዕረ ማዕረ’ዚ ሰራዊት ወያነ ብታንክታትን ከበድቲ ኣጽዋርን ህዝባዊ ግንባር ተሰንዩ፡ ናብ 28 ግንቦት 1991 ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣዲስ ኣበባ ንምቁጽጻር መጥቃዕቲ ፈነወ። ብዘይካ’ቲ ኣብ ቀጽሪ ቤተ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ንታንከኛታት ህዝባዊ ግንባር ዝገጠሞም መጠናዊ ተቓውሞ ድማ፡ ሰራዊት ወያነን መካናይዝድን ኮማንዶን ሰራዊት ህዝባዊ ግንባርን፡ ኣብ ረፋድ ናይ 28 ግንቦት 1991 ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ብዘይ ብዙሕ ተቓውሞ ምሉእ ብምሉእ ተቘጻጸሩዋ።\n\nኣብ ኤርትራ ዝነበረ ካልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ መወዳእታ እዋን፡ ብዝሑ ልዕሊ 130,000 ይበጽሕ ነበረ። ኣብ ግጥም ግንባር ደቀምሓረ ተሳዒሩ ክበታተን ምስ ጀመረ ከኣ፡ ካብቲ ሰራዊት እቶም ኣስታት 80 ሽሕ ኣብ መገዲ ከረንን ባርካን፡ ኣስታት 21 ሽሕ ኣብ ክሳድዒቃ፡ ኣስታት 13 ሽሕ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን፡ ብጠቕላላ፡ ልዕሊ 114 ሽሕ ሰራዊት ተማረኹ። ዝተረፉ ኣስታት 16 ሽሕ ከኣ ኣብቲ ውግእ ሞቱ። እቶም ምሩኻት ድማ፡ ሽዑ ንሽዑ ምሕረት ተገይሩሎም ናብ ዓዶም ተፋነው። ብወገን ኣጽዋር፡ ብዘይካ’ቲ ኣብ ውግእ ዝዓነወን ሰለስተ ንሱዳን ዝኣተዋ ታንክታትን ገለ መካይንን፡ ኵሉ ኣጽዋርን ንብረትን ካልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት ማለት፡ 200 ታንክታት፡ 50 ናይ 130 ሚሊ ሜትር መድፍዕ፡ 171 ናይ 122 ሚሊ ሜትር መድፍዕ፡ 44 ቢ.ኤም-21፡ 18 ቢ.ኤም-24፡ 127 ዙ-23፡ 1038 ሞርታራትን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ማእከሎትን ፈኮስትን ኣጽዋራት ኣብ ኢድ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣተወ። እቲ ን30 ዓመታት ዝተኻየደ መሪር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ በዚ ኣንጸባራቒ ወተሃደራዊ ዓወት’ዚ ከተያ ተገብረሉ።\n\nSection::::መወከሲታት.\nምንጪ ሓበሬታ፦ \n\nቃለ-መሕትት ጀነራል ስብሓት ኤፍረም መዘክር ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ መጽናዕታዊ ሓበሬታ ሌተና ኮሎኔል ሙሴ ገብረትንሳኤ\n\nመጽሔት “ሳግም”፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ፡ ሕታም ቍ.2 1990፡ ቍ.3 1990፡ ቍ.4 1991፡ ቍ.5 1991\n\n“ፈንቅል” ዛንታታት ተሞኲሮ ገድሊ ቅጺ 3፡ ኣሕተምቲ ሕድሪ 2015 \n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4886"} {"headline":"ቺታ","content":"ቺታ\n\nቺታ ኣታ ዝነሃረት እንስሳ ኣብ ዓለም እያ። ቺታ ብብዝሒ ኣብ ኣፍሪቃን ኢራንን ትርአ እንስሳ እያ። ቺታ ብውሑድ 93ኪሜ\/ሰ ክትጎዪ ትኽእል። ","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4892"} {"headline":"ኤኳዶር","content":"ኤኳዶር\n\nኤኳዶር (ብስጳንኛ፦ \"Ecuador\")፣ ወግዓዊ ሪፓብሊክ ኤኳዶር (ብስጳንኛ፦ \"República del Ecuador\")፣ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ናይ ደቡባዊ ኣመሪካ እትርከብ ሃገር እያ። ርእሲ ከተማ ኪቶ እያ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4893"} {"headline":"ቋንቋ ስጳንኛ","content":"ቋንቋ ስጳንኛ\n\nስጳንኛ (\"español\" \/ኤስፓኞል\/) ወይ ካስቲልያንኛ (\"castellano\" \/ካስተያኖ\/) ካብ ላቲን ናይ ደረሰ ካብ ቋንቋ ሮማንስ ሓደ እዩ። ካብ 483 ሚልዮን ንላዕሊ ተዛረብቲ በሉ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4896"} {"headline":"ለበዳ ኮቪድ-19","content":"ለበዳ ኮቪድ-19\n\nናይ 2019-2020 ኮሮናቫይረስ ለበዳ ከቢድ ድማ ህጹጽ ናይ ምስትንፋስ ኣካላት ሕማም ኣምጸአ ብኾነው ሳርስ-ኮቭ-2 (SARS-CoV-2) ቫይረስ ምኽንያት ናይ ተፈጥረ ናይ ኮሮናቫይረስ ሕማም ኮቪድ-19 (COVID-19) ለበዳ እዩ። ለበዳ ኣብ መጀመርታ ጊዜ ናይ ጸብጸበ ብቻይና፣ ዉሃን፣ ሁቤ ውሽጢ ብታሕሳስ 2019 ነበረ። ናይ ውድብ ጥዕና ዓለም ብመጋቢት 11 መዓልቲ 2020 ብሕማምውን ናይ ለበዳ ደረጃ ኣብ መድረሱን ኣወጀ። ብማእከል መጋቢት 19 መዓልቲ 2020 ክሳብ ህልው ሓበሬታ መሰረት ካብ244 ሽሕ ልዕሊ ናይ ኮቪድ-19 ጉዳያት ብ176 ሃገራት ውሽጢ ዝተመዝገበ። ብለብዒ ብቐዳምነት ዝትከተት ሃገራት መንጎ ቻይና፣ ኢጣልያ፣ ኢራን፣ ደቡብ ኮርያ ድማ ስፔን ይርከብ።\n\nSection::::ንመብዛሕትኡ ቀሊል ሕማም ይገብረሉ.\nንመብዛሕተኦም ሰባት ሰዓልን ረስንን ዘለዎ ባዕሉ ዝጠፍእ ቀሊል ሕማም ዝገብረሎም ኮይኑ ንገሊኦም ግና ጸገማት ምስትንፋስን ነድሪ ሳምቡእን (ኒሞንያን) ዘለዎ ብርቱዕ ሕማም ይገብረሎም። እቲ ቫይረስ ምስ ዝሓመመ ሰብ ቀረባ ምርኻባት ምስ ዝህሉ ወይ ብነጠብጠብታዊ ለብዒ ማለት እቲ ዝሓመመ ሰብ ምስዝስዕል ወይ ሕንጥሸው ምስዝብል ይመሓላለፍ። እቲ ምልክት ሕማም መብዛሕትኡ ግዜ ቀሊልን ሓደ ሰብ ምስተለኽፈ ድማ ድሕሪ ኣስታት 5 መዓልትታት ይረአ። እቶም ምልክታት ሕማም ግን ቅድሚ ወይ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልትታት’ውን ክረአዩ ይኽእሉ እዮም።\n\n\nSection::::ንኣረገውቲ ከቢድ ሕማም ክገብረሎም ይኽእል እዩ.\nንገሊኦም ግን እቲ ሕማም ጽንኩር ስለ ዝኸውን ጸገማት ምስትንፋስን ነድሪ-ሳንቡእን(ኒሞንያን) ይገብረሎም። እቶም ጽንኩር ሕማም ዝገብረሎም ሰባት መብዛሕተኦም ኣረገውትን ልዕሊ 80 ዕድመ ኣለዎም። ወላ’ውን ሓዳሪ ሕማም ልብን ሓዳሪ ሕማም ሳምቡእን ወይ መንሽሮ ዘለዎም ሰባት ጽንኩር ዝኾነ ሕማም ይገብረሎም እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4898"} {"headline":"ኮሮናቫይረስ","content":"ኮሮናቫይረስ\n\nኮሮና ቫይረስ (እንግሊዝኛ፡ Coronavirus) ክንብል ከለና፣ ኣብ 2019\/2020 ዝተረኽበ ዓይነት ህማም (ቫይረስ) እዩ። ኣብ 2020 ሰብ ኣንቀጥቂጡ ዘሎ ህማም ድማ እዩ። ኮሮና ዋላ'ኳ ቀታሊ ዓይነት ቫይረስ እዩ እንተ በልናዮ፣ ወይ ካብ 80 ዓመት ንላዕሊ ኢኻ፣ ወይ ካልእ ሕማም ኣለካ። ንኣብነት፣- ሽኮርያ፣ ደም ዋህዲ፣ ደም ብዝሂ ወዘተ። ብዝተረፈ ግን፣ እንተ ተጠንቂክቃ፣ ዝሓዊ ሕማም እዩ። ከም በዓል ሕማም ቫይረስ ኢቦላ ግን ኣይኮነን። ብኸመይ መጽዩ፣ ብከመይ ክንከላከሎ ንክእል፣ ድማ ቀጺለ ክሕብረኩም እየ።\n\nSection::::መምጽኢ ኮሮና ቫይረስ.\nኮሮና ቫይረስ፣ ቀንዲ መምጽኢኡ ኡኳ 100% ብከመይ ከም ዝመጸ አንት ደይ ተፈልጠ፣ 92% ግን ካብ መንካዕ ከም ዝኾነ፣ ተመራመርቲ ኣረጋጊጾም ኣለዉ። ቦታ መምጽኢኡ ድማ፣ ካብ ዉሃን ዝበሃል ቦታ ኣብ ቻይና ትርከብ ዓዲ ከም ዝመጸ ተረጋጊጹ ኣሎ። ኣብ ዉሃን፣ ዘይ ሕጋዊ ነገር ስለ ዝገብሩ፣ ንኣብነት ዘይ ግፈፍ ዓሳ ገፊፎም እንዳ በልዑ፣ ድማ ነዚ ቫይረስ ኣብ ዓለም ሕደገኛ ኮይኑ ከም ዘሎ ድማ ጌሮም። ኮሮና ቫይረስ፣ ድሕሪ ነዊሕ ምምርማር፣ ቅድሚ ሕጂ ውን ከምኡ ዓይነት ቫይረስ ከም ዝነበረ ተረጋጊጹ ኣሎ። እቲ ናይ ቀደም ቫይረስ ድማ ማራ ሓደገኛ ኔሩ። እቶም ክልተ ናይ ቀደም ቫይረስ ድማ፣ ሳርስ፣ መርስን ይበሃሉ። እዚ ናይ 2020 መጽዩ ዘሎ ኮሮናቫይረስ ድማ፣ ኮቪድ19 ተባሂሉ ይጽዋዕ። ንምንታይ ኮቪድ19 ይበሃል ዝብል ሕቶ እንተ'ለኩም፣ ኣብ 2019 ስለ ዝተረኽበ ሕማም እዩ።\n\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4900"} {"headline":"ጋላ ነፍሒ","content":"ጋላ ነፍሒ\n\nጋላ ነፍሒ ሓንቲ ካብ ኑኡሳን ዞባታት ናይ ዞባ ማእከል ኮይና: ናይ 38 ምምሕዳራት ዘጠቃለለት ኢያ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4902"} {"headline":"ኪተ ካልአይ ደረጃ ትምህርቲ ቤት","content":"ኪተ ካልአይ ደረጃ ትምህርቲ ቤት\n\nSection::::ከባቢታት.\nኪተ ናይ ውንጌላዊ ቤተ ቤተ-ክርስትያንን ካልአይ ደረጃ ትምህርቲ ቤት ብምስራቅ ትርከብ። አብ ኪተ ማእከል ውሽጥይ ናይ ባዕሉ ጸጥ ዝበለ መናፈሻ ቦታ አሎ። ካብ ማእከል ኪተ ናብ ዮንሱ 70 ኪ, ሚ ርሕቀት (ንውሓት) አልወን ፣ ካብ ማእከል ኪተ ናብ ድማኒ 400 ኪ,ሜ ርሕቀት አለወን፣ ካብ ማእከል ኪተ ናብ ሶርታቫን 100 ኪ,ሜ ርሕቀት አለወን፣ ካብ ማእከል ኪተ ናብ ናይ ድንበር ሞቃረጺ ነጠብጣብ ዞሎ ቫርትሲላ 40 ኪ,ሜ ርሕቀተ አሎወን።\n\nSection::::ታሪኽ.\nኪተ የኢቫንደሊካል አገልግሎት ናይ ደረጃ ትምህርቲ ትምህርቲ ቤት ድጋፍ ማሕበር ዝተቃወመሉ ብ 1943 እ,ኤ,አ ነይሩ። ኮለጅ ንመጀመርታ ጊዜ ዝተጀመረሩ ታሕሳስ ብ 1946 እ,ኤ,አ እዩ።\n\nአብ ዝሰርሑሉ እዋን እዚ ኮሌጅ ዝተፈላለዩ ናይ መምሃሪ አቅርቦታት ክምስገኑ ዝግቡኡ እዮም። ካብ አከባቢያቶም እውን አበይቲ መማህር ኮይኖም እዮም። ኣብ ሕጂ እዋን እዚ ኮሌጅ ነዋሕ መሰመራት ውሽጢ እውን 2000 ንላዐሊ ብ ሓጺር ኮርስታት ውሽጢ ናብ 500 ተምሃሮታት ይማሃሩ።\n\nSection::::መላማመዲ (ልምምድ).\nነዊሕ ኮርስታት (ናይ ትምህርቲ ዓመቲዊ - ነዊሕ መስመር)\n\n\n\n\n\n\nንሞያ ብቅዓት መዘጋጀይ ዝዘጋጀ\n\nእዚ ኮሌጅ ንዝተከታተሉ ሞያዊ ዲግሪ ናይ ድርጁቱ ስምምዕ አለዎ።\n\n\n\nSection::::መምህራን.\nናይ ፎል 2 ይ ደረጃ ትምህርቲ ቤት ኮርስ ሰፊሕ እዩ ብተወሳኺ ብመማህራን ውሽጢ ዝተፈላለየ በዓል ሞያ አለዉ።ብጣዕሚ ዝፍለጡ ናይ ቀደም ናይ ቤዝቦል ተጻወቲ ፓሲ ፓሪንየን ብተወሳኺ እውን ናይ ሙዙቃ መምህር ፕሌን ዲሞቭ ዝብሃሉ በዓል በዓል ብዙሕ ክእለት ትምህርቲ መምህራን እዩሞ።ንኣብነት ፕሌን ዲሞቭ ኣምሃሪ እውን ናይ ድሕሪት ድጋፍ ንኣብነት ናይ ለይቲ ምኞት ኣቦ ተባሂሎም ይጽዉዐ። ኣብ ኩርናዕ ኣብ ላዕሊ ናይ ዝተመስረተ ናይ ሓጺን ባንዲ መጀመርታ ታራ ቱርየን እና ቱማስ ሆሎፔይንየን። ኣብ ሊውቪሽ ባሕሪ ቫዩሊን ተጻዊቱ እዩ ።\n\nኣገልገልቲ እና አገልግሎታት\n\nአብዚ ኮሌጅ ንምጽናዕ፣ ንምምባር እውን ነጻ ጊዜን ንምጥቃም ሙቹው (ጽቡቅ) ቦታ አለዎ። መምሃሪ ክፍልታት በዝግባእ ኩሉ ዘማልእ እዩ ። ንተምሃሮ ናይ መመገቢ ኣዳራሽ አለው ከምኡ እውን ደብሪ ክፍሊቲት እውን መደቀሲ ክፍሊታትእውን መሰርሒ ምግቢ (ክሽኔ) አለዎ። ብተወሳኪ እዚ ኮሌጅ ሳውና ተወሳኪ ድማ ንእተይ መሐንበሲ እውን ናይ ግሊ ገዛ አሎ። አብዚ ኮሌጅ አብ ቀረባ አከባቢ በዙሕ ናይ እስፖርታ ቦታ አሎ ሓድሽ ናይ እስፖርታ መዘናግዒ አሎዎ።\nEvangelical Folk High School of Kitee","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4917"} {"headline":"ውድብ ጥዕና ዓለም","content":"ውድብ ጥዕና ዓለም\n\nውድብ ጥዕና ዓለም (ው.ጥ.ዓ.) ወይ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና (፣ \"WHO\")፣ ንዓለምለኻዊ ናይ ህዝባዊ ጥዕና ሓላፍነት ዘሎ ናይ'ቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ው.ሕ.ሃ.) ውሕልነታዊ ኤጀንሲ እዩ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4919"} {"headline":"ካራ","content":"ካራ\n\nእቲ ካራ ኣሎ ነታ ናውቲ ምስ ነታ ኣቋራጭ ብልሒ ወይ ግላዝ ብዙሕ ዓዂኹ ናብ ነታ ሓዘ ወይ ልዓት ሳንጃ.\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4925"} {"headline":"ካሊጎላ","content":"ካሊጎላ\n\nካሊጎላ ሳልሳይ ኔሩ ሮሜ ሃጸይ, ገዛኢ ካብ 37 ናብ 41. \n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4926"} {"headline":"ሮሜ ግዝኣት","content":"ሮሜ ግዝኣት\n\nእቲ ሮሜ ግዝኣት ነበረ እቲ ድሕሪ-ረፑብሊካዊ እዋን ናይ ጥንታዊ ሮሜ. ክ ነታ ንሱ ዝምልከት ሰፊሕ ኣከባቢ ትሕዞ ባሕሪ መዲተራነያን ብ ኣውሮጳ, ሰሜን ኣፍሪቃ ድማ ምዕራብ እስያ ንዅሉ ጥቓ ሃጸይ.\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4928"} {"headline":"ቸስ","content":"ቸስ\n\nእቲ ቸስ ኣሎ ነታ ናይ ክልተ ውጥን ጣውላ ጸወታ ሰሌዳ ልያኸ ኣብ ነታ ሰንጠረጃዊ ጸወታ ምስ 64 ትርብዒት ዘቕተሎ ብ ሓደ 8x8 መስርዕ.!\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=4929"} {"headline":"ሻምቡቆ","content":"ሻምቡቆ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=5039"} {"headline":"ጉግል","content":"ጉግል\n\nጉግል ው.ሓ.ኩ (ውሱን ሓላፍነት ኩባንያ) (ብእንግሊዝኛ፦ Google LLC)፣ ናይ ኣመሪካዊ ኣልፋበት ቀንዲ መለስተኛ (subsidiary) ኩባንያ እዩ፣ ፍሉይ ክእለቱ ድማ ምስ ኢንተርነት፣ ሶፍትዌር፣ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታትን ካልኦት ቴክኖሎጂታትን ዝተኣሳሰሩ ፍርያትን ኣገልግሎታትን እዮም። ቀንዲ ፍርያት ጉግል ተመሳሳሊ ስም ዘሎ ናይ ኢንተርነት ትሕዝቶ ምድላይ ሞተር እዩ፣ ዋላ እኳ ካልኦት ፍርያትን ኣገልግሎታትን ከምቲ ናይ ጉግል ድራይቭ (Google Drive) ቤት ጽሕፈት ተርታ ኣቕሑ፣ እቲ ጂመይል (Gmail) ዝበሃል ኢመይል፣ ናይ ጉግል ካርታታት (Google Maps)፣ ጉግል ስትሪት ቪውን (Google Street View) ጉግል ኤርዝን (Google Earth) ናይ ካርታ ኣገልግሎታቱ፣ እቲ ናይ ዩትዩብ (YouTube) ቪድዮታት መርበብ ሓበሬታን ካልኦት ናይ መርበብ ሓበሬታ ኣገልግሎታትን ከም ጉግል መጻሕፍቲ (Google Books)፣ ጉግል ዜናን (Google News) ተርጓሚ ጉግልን (Google Translate) የቕርብ እንተኾነ።\n\nSection::::ታሪኽ.\nጉግል ኣብ 1998 ብላሪ ፐይጅን ሰርገይ ብሪን ዝተባህሉ ሰባት’ዩ ተመሰሪቱ። እዞም ክልተ መንእሰያት ኣብ ስታንድፎርድ ዩንቨርሲቲይ ተመሃሮ ፒኤችዲ ዲግሪ እንከለዉ’ዮም መስሪቶሞ። ላሪ ፐይጅን ሰርጊ ብሪን 14% እዚ ትካል ክውንኑ እንከለዉ፡ 56% ድማ ብ(ስቶክ ሆልደርስ)’ዩ ዝውነን።\n\nጉግል ኣብ 4 መስከረም 1998 ናብ ናይ ውልቂ ትካል ተሰጋገረ። ኣብ 19 ነሓሰ 2004፣ ናብ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈቱ ‘ካሊፎርንያ’ ዝገዓዘ ጉግል፣ ንፈለማ እዋን ናብ ህዝቢ ዝቐርብ፦ “ጉግል ፕለክስ” ዝብል ስም ተዋህቦ። ኣብ ነሓሰ 2015፣ ጉግል ነቲ ዝተፈላለየ ድሌታት ዘለዎ መደባቱ፣ ኣብ ሓደ ጠርኒፉ መደባቱ ከምዘተዓራሪ ንህዝቢ ኣፍለጠ።\n\nካብ ዝጠራነፍ ኣትሒዙ ቅልጡፍ ዕብየት ዘርኣየ ጉግል፣ ብሓንሳዕ’ዩ ዝተፈላለዩ መደባት ኣቕሪቡ። ዝተፈላለዩ ነገራት ደሊኻ ኣብ ጉግል ኣቲኻ ምርካብ፣ ንስራሕ ዘድልዪ ነገራት ኣገልግሎት ምሃብ፣ ፍርያት ጉግል ከም ወረቃቕቲ፣ ኢሜይል፣ ምስራዕ ምትዕርራይ መደባት፣ ማሕበራዊ መራኸቢ መስመራት፣ ብጽሑፍን ብቪዲዮን መልእኽቲ ምስዳድ፣ ቋንቋ ምቕያር፣ ካርታ ሃገራት ምሕባር፣ ዝተፈላለዩ ጽሑፋትን ኣገልግሎታትን የዳሉ።\n\nካብዚ ቀጺሉ ጉግል ኣብ ሞባይል ኣንድሮይድ፣ ጉግል ክሮም ዌብ ብሮውሰር፣ ክሮም ኦስን ኣብ ሞባይል ዝሰርሑ ዝተፈላለዩ ሶፍትዌራትን ኣተኣታትዩ’ዩ።\n\nጉግል ካብ 2010 ኣትሒዙ ክሳብ 2015 ዝተፈላለዩ ንብረት እዩ ኣፍሪዩ። እዚ ትካል ምስ ዝተፈላለየ ኤለክትሮኒካዊ ነገራት ዘፍርያ ትካላት ብምሕባር፡ ከም ሞባይልን መጉልሒ ድምጽን ኣብ ጥቅምቲ 2016 ኣቕሪቡ። ጉግል፣ ብተወሳኺ እቲ ቀንዲ ተሰካሚ ኢንተርነት ክኸውን ክኢሉ’ዩ።\n\nጉግል፣ ዩቱብን ብሎገርን ዝርከብዎ ኣብ ዓለም ካብቶም ዝያዳ ተጠቀምቲ ዘለዉዎ መስመራት ኢንተርነት ተባሂሉ ተጠቒሱ’ዩ። እዚ ትካል ምስቶም ፍሉጣትን ክቡራትን ትካላት ዓለምና’ዩ ዝስራዕ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግን፣ ኣብ ውልቃዊ ጉዳያት፣ ምውጋድ ቀረጽ፣ ዘይእመን ሜማ ወይ ሰንሰር ኣብ ዝኣመሰሉ ክስታትን ኣገደስቲ ነቐፌታትን ይቐርቦ እዩ።\n\nዕላማ ጉግል፦ “ኣብ ዓለም ዘሎ ሓበሬታታት ብምዕራይ፣ ንኩሉ ብማዕረ ንኽበጽሕን ጠቓሚ ክኸውንን” ዝብል እዩ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=5095"} {"headline":"ፊንላንድ","content":"ፊንላንድ\n\nፊንላንድ, ተባሂሉ ይጽዋዕ የፊንላንድ, ኣሎ እቲ ሃገር ብ ሰሜናዊ ኣውሮጳ.\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=5170"} {"headline":"ቦሊቭያ","content":"ቦሊቭያ\n\nቦሊቭያ, ኣሎ እቲ ሃገር ኣመልከተ ብ ምዕራባዊ ማእከላይ ደቡብ አሜሪካ. እቲ ቅዋማዊ ዓቢ ኣሎ ሱቹር, እናበለ እቲ ሰድያ ናይ መንግስቲ ድማ ቀረበሉ ዓቢ ኣሎ ረፐዙ.\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=5178"} {"headline":"ፉል","content":"ፉል\n\nፉል ኣሎ ሓደ ጥረታት እቶት እኹል ዝብልሉ ንእሱ ዝብላዕ ዘርኢ. ንሱ ኣሎ ብጣዕሚ ኣድላይ እቶት ንክልቲኦም ሰፊሕ ድማ ንኡስ ንግዳዊ ኣቕራቢ.\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=5179"} {"headline":"ክልል ትግራይ","content":"ክልል ትግራይ\n\nትግራይ (ዕላዊ ስም:- ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ) ሓንቲ ካብተን ክልላት ኢትዮጵያ ኮይና ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ እታ ሃገር ትርከብ። ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ፌደራላዊት ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ክልል ሓደ ተባሂላ ትፅዋዕ። ትግራይ ዓዲ ተጋሩ፣ ዓፋር፣ ኢሮብን ኩናማን እያ። ርእሰ ከተማኣ መቐለ ትበሃል። ካብ ክልላት ኢትዮጵያ ብስፍሓት መሬት ሻድሸይቲ ክትኸውን ከላ ብበዝሒ ህዝቢ ከዓ ሓምሸይቲ እያ። ከም ውቅሮ፣ ዛላምበሳ፣ ዓብዪ ዓዲ፣ ዓድዋ፣ ነበለት፣ ሸራሮ፣ ዓዲግራት፣ ኣኽሱም፣ ሽረ እንዳስላሰ፣ ማይጨው፣ ኣላማጣ፣ መኾኒ፣ ሑመራ ዝበሉ ፍሉጣት ዓበይቲ ከተማታት ኣለውዋ። ብሰሜን ኤርትራ፣ ብምብራቅ ክልል ዓፋር ፣ ብምዕራብ ሱዳን፣ ብደቡብ ክልል ኣምሓራ ትዋሰን፡፡ ጠቅላላ 50,286 ካሬ ኪ.ሜ. ስፍሓት መሬት እንትሽፍን ብመሰረት 1999 ዓ\/ም ዝተካየደ ቆፀራ ህዝቢ በዝሒ ህዝባ 6 ሚልዮን እዩ፤ ሎሚ ግን ናብ ኣስታት 10 ሚልዮን ከምዝዛየደ ይግመት። ትግርኛ ናይታ ክልል ናይ ስራሕ ቋንቋ እዩ። ትግራይ ብጣዕሚ ብዙሓት ተፈጥራዊ፣ ባህላውን ታሪካውን ፀጋታት ዝተዓደለት ስፍራ እያ። ከም ኣብነት ጥንታዊ ቤተ መቅደስ ያሓ፣ ጥንታዊ ሓወልትታት ኣክሱም፣ ካብ 4ይ ክሳብ 15 ክ\/ዘመን ከምዝተሰርሑ ዝንገረሎም ልዕሊ 120 ዝኮኑ ካብ ከውሒ ተፈልፊሎም ዝተሃነፁ ኣብያተክርስትያናትን ገዳማትን፣ ከምኡ እውን ካልኦት ብዙሓት ታሪካውን ኣርኪኦሎጂካውን ስፍራታት ዝርከቡላ ኣዝያ ንመስሕብ ቱሪዝም ዝመቸወት ክልል እያ። ከም እምባ ኣላጀን ፅበትን ዝበሉ በረክቲ እምባታት ይርከቡዋ። ትግራይ ቅድሚ እኒ ሞዛርትን ካልኦት ፍሉጣት ሙዚቀኛታት ዓለምን ዜማታት ግእዝን ኣራራይን ዝመሃዘ መበቆል ቅዱስ ያሬድ እያ። ከም ሓያሎ ስልጣነታት ኣኽሱም ዝሓዘት ስፍራ ማእኸል ስልጣነ ዓለም እያ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=5180"} {"headline":"ተርጓሚ ጉግል","content":"ተርጓሚ ጉግል\n\nተርጓሚ ጉግል (ካብ እንግሊዝኛ፦ \"Google Translate\")፣ ጽሑፍ፣ ሰነዳትን መርበባት ሓበሬታን ካብ ሓደ ቋንቋ ናብ ካልእ ቋንቋ ንምትርጓም፣ ብጉግል ዝተማዕበለን ዝቐረበን ብዙሕ ቋንቋታት ዝጥቀም ማሽን ትርጉም ስርዓት እዩ። ተርጓሚ ጉግል ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃታት ናብ 133 ቋንቋታት ናይ ምትርጓም ዓቕሚ ዘለዎ ኮይኑ፣ እቲ ስርዓት ናጻ ኣገልግሎት ዝህብን ልዕሊ 200 ሚልዮን ሰባት መዓልታዊ ዝጥቀሙሉን እዩ።\n\nካብ ታሕሳስ 2016 ጀሚሩ፣ ናጻ ጽሑፍ ትርጉም ብጉግል ናብ 5.000 ፊደላት ክድረት እንከሎ፣ ትርጉም ገጽ መርበብ ሓበሬታ ግን ናይ ንውሓት ገደብ የብሉን።\n\nSection::::ባህርያት.\nSection::::መርበብ ሓበሬታ.\nንገለ ቋንቋታት፣ ተርጓሚ ጉግል ነቲ ዝተተርጎመ ጽሑፍ ክዛረብ፣ ኣብቲ ምንጪን ዕላማ ዘለዎን ጽሑፍ ዝሰማምዑ ቃላትን ሓረጋትን ከጉልሕ፣ ከምኡ’ውን ንሓደ ቃል ኣብ ሓደ እዋን ከም ቀሊል መዝገበ-ቃላት ኮይኑ ክሰርሕ ይኽእል። \"Detect language\" እንተተመርጹ፣ እቲ ስርዓት ብኣውቶማቲክ ነቲ ቋንቋ ከለልዮ ይኽእል።\n\nSection::::ውህደት መዳህሰሲ.\nተርጓሚ ጉግል ኣብ ገለ መዳህሰሲታት ከም መናውሒ ኮይኑ ኣብቲ ዝረኽብዎ መርበባት ሓበሬታ ዝእክቦም ጽሑፋት ይትርጉም ኣሎ።\n\nብተወሳኺ ናይ ጉግል ክሮም መርበብ ሓበሬታ መናውሒ ኣሎ፤ ብለካቲት 2010፣ ተርጓሚ ጉግል ኣብቲ ምዱብ ናይ ጉግል ክሮም መርበብ ሓበሬታ ተዋሃሂዱ፡ ነቲ ዝረአ ዘሎ መርበብ ሓበሬታ ብኣውቶማቲክ ክትርጉሞ ተገይሩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=5186"} {"headline":"ፊዚክስ","content":"ፊዚክስ\n\nፊዚክስ ኣሎ እቲ ተፈጥሮኣዊ ክእለት እታ መጽናዕቲ ነገር, ናታ እማመ ድማ ዝጥቀምሉ ብማእከል ቦታ ድማ ጊዜ, ድማ እቲ ዚዛመድ ዚጥቀሙሉ ናይ ጉልበት ድማ ሓይሊ. ፊዚክስ ኣሎ ሓደ ናይ እቲ ዳርጋ መሰረታዊ ስነፍልጠታዊ ኽትግስጾዘ, ድማ ናታ ዋና ሽቶ ኣሎ ናብ ተረድአ ከመይ እቲ ኣድማስ ተኣደበ.\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=5191"} {"headline":"ሪፓብሊክ","content":"ሪፓብሊክ\n\nሓንቲ ሪፓብሊክ ወይ ረፑብሊክ (ካብ ላቲን፣ \"ረስ ፑብሊካ\" «ህዝባዊ ጉዳይ»)፣ ብዘይ ንጉስ ዓይነት መንግስቲ እያ። ብዙሕ ሃገራት ሪፓብሊክ ይጥቀሙ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=5198"} {"headline":"ፓራጓይ","content":"ፓራጓይ\n\nፓራጓይ (ብስጳንኛ፦ \"Paraguay\")፣ ወግዓዊ ሪፓብሊክ ፓራጓይ (ብስጳንኛ፦ \"República del Paraguay\"፤ ብጓራኒ፦ \"Tetã Paraguái\")፣ ኣብ ማእከላይ ደቡብ ኣመሪካ እትርከብ ሃገር እያ። ርእሲ ከተማ ኣሱንስዮን እያ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=5211"} {"headline":"ጆ ባይደን","content":"ጆ ባይደን\n\nጆሴፍ ሮቢነት ባይደን ጁንየር (ብእንግሊዝኛ፦ Joseph Robinette Biden Jr.፣ ኣብ ስክራንቶን፣ ፔንሲልቫንያ፣ 20 ሕዳር 1942 ተወልደ)፣ ከም ጆ ባይደን ብዝሓሸ ዝፍለጥ፣ ኣመሪካዊ ፖለቲከኛ ከምኡውን ናይ ሕቡራት መንግስታት ፕረዚደንት እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=5248"} {"headline":"ጋዕናን ድሙ","content":"ጋዕናን ድሙ\n\nጋዕናን ድሙ (\"\") 2016 ቱርካዊት አኒሜሽን ፊልም\n\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=5253"} {"headline":"ሃገር","content":"ሃገር\n\nሃገር ማለት ብሓደ ብህዝቢ ዝተምረጸ መንግስቲ ወይ በዓል ስልጣን እትመሓደር ብርእሳ ወይ ብ ካብ ካብኣ ብወተሃደራዊ ወይ ውን ቆጠባዊ ዝሕይላ እትመህደር ግን ከኣ ናይ ባዕላ ኣካይዳ ሕግን ቅዋምን ዘለዋ እያ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=5292"} {"headline":"ባንዴራ ኮሎምብያ","content":"ባንዴራ ኮሎምብያ\n\nሃገራዊት ባንዴራ ሪፓብሊክ ኮሎምብያ ንናጽነት ኮሎምብያ ካብ ስጳኛ ተመልክት፣ ብ20 ሓምለ 1810 ተረኺባ።\n\nSection::::ጋለሪ ባንዴራታት.\nሃገራዊት ባንዴራ\n\nታሪኻዊት ባንዴራታት\n\nወተሃደራዊትን ሲቪላዊትን ባንዴራታት\n\nታሪኻዊት ወተሃደራዊትን ሲቪላዊትን ባንዴራታት\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=5387"} {"headline":"ካራካስ","content":"ካራካስ\n\nካራካስ (ብስጳንኛ፦ \"Caracas\")፣ ርእሰ ከተማን ዝዓበየት ከተማን ቬኔዝዌላ እያ። ካብ መበል 19 ዘመን ከም ማእከል ፖለቲካውን ቁጠባውን ሓይሊ ቬኔዝዌላ ተቖጺራ እያ።\n\nSection::::መርበብ.\nወግዓዊት መርበብ ሓበሬታ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=5513"} {"headline":"ክራር","content":"ክራር\n\nክራር (ብትግርኛ ፡ ትግረ ከምኡ \"ውን ኣምሓርኛ) ፡ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ገመድ ዝቘመ ጭሔሎ ዘለዎ ሊሪ እዩ ። ምስ ስፍሓት ሰንቲ-ሜተሮኒክ ዝተጣመረ እዩ ። ዘመናዊት ክራር ኽትግልበጥ ትኽእል እያ ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ናይ ኤለክትሪክ ጊታር ወይ ቫዮሊን ክመሳሰል ይኽእል እዩ ።\n\nSection::::ትሕዝቶ.\nክራር ፡ ብዕንጨይትን ብጨርቅን ይስለም እዩ ። እቲ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ጫፍ ከኣ ፡ ነቲ ዘሎ ጉድጓድ ይውስኖ ። ቃና እቲ መሳርሒ ኣብቲ እቲ ሙዚቀኛ ዝጥቀመሉ ሜላ ኣጸዋውታ: ማለት ኣብ ምስጋድ: ምውዝዋዝ ወይ ምቕጣን እዩ ዝምርኰስ ። እንተ ለቕሊቑ ፡ ልስሉስ ቃና እዩ ዘፍሪ ። በቲ ሓደ ሸነኽ ግን ፡ ስኒት ዘለዎ ስጉምቲ ምውሳድ ፡ ባህ ዘብል እዩ ።\n\nመብዛሕትኡ ግዜ ፡ ዓዝማሪ ብዚብሃል ሙዚቀኛ ዝዝመር ክራር ይጻወት እዩ ። መብዛሕትኡ ግዜ ምስ መዝሙራትን ዓለማዊ መዝሙራት ናይ ፍቕርን ዝስነ እዩ ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=5654"} {"headline":"ሆንግ ኮንግ","content":"ሆንግ ኮንግ\n\nሆንግ ኮንግ (ኣብ 香港 ቻይና) ሓንቲ ኻብተን ኣብ ቻይና ዚርከባ ኽልተ ፍሉያት ምምሕዳራዊ ዞባታት እያ (እቲ ኻልኣይ ማካው እዩ) ። ኣብ ደቡባዊ ገማግም ቻይና እትርከብ ኰይና ኣብ ኣፍ ፈለግ ፐርልን (ዴልታን) ባሕሪ ደቡብ ቻይናን እያ እትርከብ። እዚ ቦታ እዚ ሓደ ኻብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዝለዓለ ህዝባዊ ኵርናዓት እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ 1,104 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ሸውዓተ ሚልዮን ሰባት ብምሓዝ ኢዩ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=5711"} {"headline":"ማካው","content":"ማካው\n\nማካው (澳門) ሓንቲ ኻብተን ቻይና እቲ ኻልኣይ ሆንግ ኮንግ ዝበሃላ ፍሉያት ምምሕዳራዊ ምምሕዳራት ኢያ","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=5712"} {"headline":"ኣዲስ ኣበባ","content":"ኣዲስ ኣበባ\n\nኣዲስ ኣበባ (ብኣምሓርኛ፦ \"አዲስ አበባ\"፣ ‘ሓድሽ ዕምባባ’)፣ ርእሰ ከተማን ዝዓበየት ከተማን ኢትዮጵያ እያ።\n\nSection::::መርበብ.\nወግዓዊት መርበብ ሓበሬታ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=5773"} {"headline":"ዮሃን ሰባስትያን ባኽ","content":"ዮሃን ሰባስትያን ባኽ\n\nዮሃን ሰባስትያን ባኽ (21 መጋቢት 1685 - 28 ሓምለ 1750) ጀርመናዊ ኣዳላዊ ባሮክ እዩ ነይሩ ። ሓደ ኻብቶም ኣብ ታሪኽ ምዕራባውያን ብሉጻት ሙዚቀኛታት ጌርካ እዩ ዚርአ ። ባኽ ንኸም ሞዛርት ቢቶቨን ብራምዝ ዝኣመሰሉ ሙዚቀኛታት ጸልይዎም ኢዩ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ሙዚቃ ድማ ብሉጽ ከም ዝኸውን ገበሮ ። ባኽ ሓደ ኻብቶም ኣብ ታሪኽ ምዕራባውያን ኣዝዮም ኣገደስቲ ስነ-ጥበባውያን እዩ ሙዚቃኡ ኸኣ ኣብ መላእ ዓለም እዩ ዚርአ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=5800"} {"headline":"ባንዴራ ኤርትራ","content":"ባንዴራ ኤርትራ\n\nሃገራዊት ባንዴራ ኤርትራ ብ5 ታሕሳስ 1995 ተቐቢላ። ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ካብ ዝነፈረላ ባንዴራ ዝተመስረተት እያ። እቲ ቀጠልያ ሕብሪ ንቁጠባ ሕርሻን ጥሪትን ኤርትራ ዘመልክት፣ ቀይሕ ሕብሪ ማለት ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ዝፈሰሰ ደም፣ ሰማያዊ ሕብሪ ንሃብቲ ባሕሪ ዝውክል፣ ብጫ ሕብሪ ንማዕድን ሃብቲ ኤርትራ ዝውክል፣ ኣብታ ባንዴራ ዘሎ ዕንበባ ኣውሊዕን ጨንፈርን ካብታ ኣብ መንጎ 1952ን 1961ን ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለት ቀዳመይቲ ሃገራዊት ባንዴራ ኤርትራ ዝመጸ እዩ፣ እቲ ዕንበባ ኣውሊዕ ካብ ባንዴራ ሕቡራት ሃገራት ተቐቢሉን ንሰላም ዘመልክትን እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=5814"} {"headline":"ኩሽ (መጽሓፍ ቅዱስ)","content":"ኩሽ (መጽሓፍ ቅዱስ)\n\nኩሽ ወይ ኩሥ (ብዕብራይስጥ: כּוּשׁ‎ ; ብግዕዝ: ኩሽ\/ኩሥ) ቦኽሪ ወዲ ካምን ወዲ ወዱ ንኖህን እዩ ነይሩ ። ንሱ ድማ አሕዋት ኸነዓን፥ ሚስራይምን ፥ፉጥን ነበረ። ኩሽ ኣቦ ኒምሮድ ዝበሃል ንጉስ እዩ ነይሩ ፣ ንሱ ድማ \"ኣብ ምድሪ ናይ መጀመርታ ጅግና\" ተባሒሉ እዩ ዝጽዋዕ ነይሩ ።\n\nኩሽ ብልምዲ ኣቦሓጎ እታ ኣብ ጥቓ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ከም ዝነበረት ዝእመነላ ጥንታዊት ግዝኣት \"ምድሪ ኩሽ\" ጌርካ እያ እትርአ ። ኩሽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ምስ መንግስቲ ኩሽ ወይ ጥንታዊት ኢትዮጵያ እያ ። ቛንቋ ኩሽ ፡ ኩሽ ዝብል ስም እዩ ዘለዎ ።\n\nSection::::መለለዪ.\nኩሽ ብቛንቋ ዕብራዊ\/ዕብራይስጥ እተጸውዐ ስም ኰይኑ ፡ ካብቲ ካሽ ዝብል ናይ ግብጺ ስም ታሕተዋይ ኑብያ ፡ ደሓር ከኣ ካብቲ ኣብ ናፓታ ዝነበረ መንግስቲ ኑብያ ዝመጸ ክኸውን ይኽእል እዩ ።\n\nእቲ ኩሽ ዝብል ፎርም ፡ ኣብ መዝገብ ግብጻውያን ካብ ግዝኣት መንቱሆተፕ ካልኣይ (21 ክፍለ-ዘመን ቅ.ል.ክ) ኣትሒዙ ፡ ኣብ ዞባ ኑብያ ወፈራታቱ ብዝርዝር ተጻሒፉ ይርከብ ። ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዕብራይስጢ እተጠርነፈሉ እዋንን ኣብ ብምሉኡ ክላሲካዊ ኣጸዋውዓ መንግስቲ ኑብያ ኣብቲ ዘመናዊ ሕዝቢ ሱዳን ዝነበረ መሮቭ ዘተኰረ እዩ ነይሩ ።\n\nSection::::ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መወከሲታት.\nደቂ ወይ ውሉዳት ኩሽ፦ ሴባ፥ ሓዊላ፥ ሳብታ፥ ራዕማ፥ ሳብተካህ ይበሃሉ።\n\nሙሴ ዉን ካብ ኩሻዊት ጓል-ኣንስትየቲ እዩ ተመርዕዩ።\n\nSection::::ባህላዊ መለለዪ.\nዮሴፍ ብዛዕባ ሕዝበ ኩሽ ወዲ ካምን ወዲ ወዱ ንኖህን ከምዚ ብምባል ጸብጻብ ሃበ - \"ካብ ቶም ኣርባዕተ ደቂ ካምሲ ጊዜ ንስም ኩሽ ከቶ ኣይጐድኦን፣ ከመይሲ እቶም ንሱ ዝነገሰሎም ኢትዮጵያውያን ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ንበይኖምን ብዅሎም ሰብ እስያን ኩሻውያን ተባሂሎም ይጽውዑ ኣለዉ። s\" (\"\" 1.6).\n\nመጽሓፍ ዘሁልቍ 12 1 ንሰበይቲ ሙሴ \"ኩሻዊት ሰበይቲ\" ኢላ ኽትጽውዓ ኸላ ጺጶራ ሰበይቲ ሙሴ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ ሚድያን ከም ዝመጸት ጌርካ እዩ ዚግለጽ። ህዝቅኤል እታ ኤክሳጎጅ 60-65 ጺጶራ ኣብ ሚድያን ጓና ኸም ዝዀነት ድሕሪ ምግላጽ ነቶም ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝነበሩ ተቐማጦ ኣባሓጎታታ ኸምዚ ብምባል ገለጸሎም -\n\"እዛ ሃገር እዚኣ ሊብያ ተባሂላ እያ እትጽዋዕ። ካብ እተፈላለዩ ሕዝብታት ኢትዮጵያውያን ከምኡውን ካብ ጸልማት ዝመጹ ዓሌታትን ነገዳትን ዚነብሩላ ኸተማ እያ። ሓደ ሰብኣይ ገዛኢ እታ ምድሪ እዩ ፣ ንጉስን ጀነራልን እዩ ። ነቲ መንግስቲ ይገዝኦ ነቲ ሕዝቢ ይፈርዶ ካህን ድማ እዩ። እዚ ሰብኣይ እዚ ኣቦይን ናታቶምን እዩ።\n\nኣብ 5ይ ዘመን ድ.ክ. ሶርያውያን ጸሓፍቲ ነቶም ሒምያራውያን ዝበሃሉ ደቡብ ዓረብ ኩሻውያንን ኢትዮጵያውያንን ከም ዝዀኑ ገለጹሎም ።\n\nእቲ ፋርሳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ኣል-ታባሪ (ከ. 915) ፡ ሰበይቲ ኩሽ ቃርናቢል ፡ ጓል ባታዊል ፡ ወዲ ቲራስ ከም እተባህለት ፡ \"ኣብሲናውያን ፡ ሲንዲስን ህንዳውያንን\" ከኣ ከም ዝወለደትሉ ዝገልጽ ልምዲ ኣዘንተወ ።\n\nሎሚ ተዛረብቲ ቋንቋ ኩሻውያን ንኣገው: ኦሮሞ: ሶማል: ዓፋር: ከምኡውን ንኻልኦት ሓያሎ ቀቢላታት፣ ብሔራትን፣ ነገዳትን ዝሓቘፉ እዮም ፣ ኣብ መኣድታት ማሱዲ ወርቂ ካብ 947 ድ.ል.ክ. ከም ዘርኢ ኩሽ እዮም ዝቑጸሩ ነይሮም ። እቶም ቋንቋ ኩሽ ዝዛረቡ ህዝቢ ቤጃ ፡ ካብ ኩሽ ዝመበቈሉ መስመር ወለዶ ኣለዎም ።\n\nጀምስ ብሩስ ዝስሙ ኣብ ከባቢ 1770 ናብ ከበሳታት ኢትዮጵያ ዝኸደ ዳህሳሲ ፡ ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ኣብ ዝነበራ መዓልትታት ፡ ኩሽ ወዲ ካም ምስ ስድራ ቤቱ ኰይኑ ናብ ጐልጐል ኣጣራ ኽሳእ ዝበጽሕ ፡ ካብኡ ንደሓር ሰብ ዘይነብሮ ፡ ካብኡ ድማ ንምድሪ ኢትዮጵያ ክርእዩ ዝኽእሉ ኣቢሲናውያን ፡ \"ልምዲ\" ከም ዝነበረ ጸሓፈ ። ኣብኡ ድማ ንኣክሱም ደዪቦም ሰርሑ ፣ እተወሰነ እዋን ጸኒሖም ከኣ ናብ ጐልጐል ተመልሱ ፣ ንሜሮቭ ድማ ሰርሑ ። ንሱ ብተወሳኺ ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ኤውሮጳውያን ምሁራት ፡ ነዚ ጸብጻብ እዚ ብምኽንያት እቲ ተመስሪቱሎም ዝነበረ ክልሰ-ሓሳብ ፡ ብትእምት ከም ዝነጸግዎ ፡ ኩሽ ብመንገዲ ዓረብን በቲ ኣብ መንጎ የመን ኣብ ሓውሲ ደሴት ዓረብ ዝርከብ ሓርፋፍ ኵነታት ባብ-ኤል-መንደብን ኣቢላ ናብ ኣፍሪቃ ከም ዝኣተወት ፡ ጅቡቲን ኤርትራን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ዝርከባ ይገልጽ ። ብተወሳኺ: እቲ ኣብ ኣክሱም ዝነበረ ዓቢ ጭሕሚ: ኩሽ ነቲ እተመደበሉ ከባቢ ንምምልካት ከም ዘዳለዎ እዩ ዝንገር: እቲ ኢቲኦፕ ዝበሃል ወዱ ድማ ኣብኡ ከም እተቐብረ እዩ ዝንገር ። ብመሰረት መጽሓፍ ኣክሱም: ብሩስ ኣብ ኣቢሲንያ ምስ ክብራ ናጋስት ብማዕረ ከም እተቐብረ እዩ ዝገልጽ ።\n\nከም ዮሃን ማይክልስን ሮዘንሙለርን ዝኣመሰሉ ምሁራት ፡ እቲ ኩሽ ዝብል ስም ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ቀይሕ ባሕሪ ፡ ኣብ ሓውሲ ደሴት ዓረብ (የመን) ን ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃን ኣብ ዝርከባ ትራክትታት እታ ሃገር ከም ዝውዕል ሓቢሮም እዮም ።\n\nSection::::መወከሲ.\n  ","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=5816"} {"headline":"ቋንቋ ፓሽቶ","content":"ቋንቋ ፓሽቶ\n\nፓሽቶ (پښتو)፣ ናይ ደቡብን ማእከላይን ኤስያ ናይ ፓሽቱናት ቋንቋ ኣደ እዩ። እዚ ቋንቋ እዚ ክፍሊ ምብራቓዊ ኢራናዊ ቋንቋታት እዩ፣ ብቐጥታ ድማ ካብ ቋንቋ ኣቨስትኛ እዩ ዝወርድ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=5874"} {"headline":"መቐለ","content":"መቐለ\n\nመቐለ ናይ ክልል ትግራይ ዋና ከተማ እያ። መቐለ ኣቐዲማ ኣብ ትግራይ ዋና ከተማ  ኣውራጃ እንደርታ እያ ነይራ። ካብ ዋና ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ብሸነኽ ሰሜን 780 ኪሎሜተር (480 ማይል) ርሒቓ ትርከብ ኮይና 2,254 ሜትሮ (7,395 ፉት) ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ብራኸ ኣለዋ። ብኣመሓዳሪ ፡ ከተማ መቐለ ከም ፍሉይ ዞባ እያ ትቑጸር ፡ እዚ ድማ ኣብ ሸውዓተ ክፍለ ከተማታት ትኽፈል። ቊጠባዊ፣ ባህላውን ፖለቲካውን ማእከል ሰሜናዊ ኢትዮጵያ እያ።\n\nከተማ መቐለ ካብ 1991 ጀሚሩ በዝሒ ህዝባ እናወሰኸ ዝመፀ ኾይኑ ብ 1984 61,000  ፡ ብ 1994 97,000 ተቐማጦ (96.5% ተዛረብቲ ትግርኛ ምዃኖም) ፡ ብ 2006 ድማ 170,000 (እዚ ማለት 4% ህዝቢ ትግራይ)።  ከተማ መቐለ ካብ ኢትዮጵያ ድሕሪ አዲስ አበባ ኣብ ካልኣይ ደረጃ እትስራዕ ከተማ እያ: ብዝሒ ህዝቢ ድማ ከባቢ 545,000 እዩ ። ካብታ ኣብቲ ክልል ብዕቤታ ኣብ ካልኣይ ደረጃ እትስራዕ ከተማ ዓዲግራት ብ2.6 ዕጽፊ ይዓቢ።\n\nመብዛሕትኡ ህዝቢ ከተማ መቐለ ኣብ ናይ መንግስቲ ስራሕ፣  ንግድን ኣናእሽቱ ትካላትን እዩ ዝምርኰስ። ብ 2007 ኣብ ከተማ መቐለ ሓድሽ ናይ ምህንድስናን ስሚንቶን ፋብሪካ ዓለባን ስለ ዝነበረ ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኰነ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዕዳጋ ይፈሪ ነይሩ። ዩኒቨርሲቲ መቐለ ካብቲ ቅድሚ 1991 ዝነበረ ኮሌጅ ሕርሻ ኣሪድ እዩ ማዕቢሉ: ሓያሎ ካልኦት መንግስታውን ብሕታውን ኮሌጃት ድማ ተመስሪተን እየን።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=5897"} {"headline":"Social omsorg","content":"Social omsorg\n\nማሕበራዊ ኣገልግሎት ወይ ድማ ኣሃዱ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብምምሕዳርዊ ቅርጺ ናይ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ምምሕዳር ተማእዚዙ ዝኸይድ ኣሃዱ ኮይኑ፣ ፖለቲካዊ፣ ኮነ ማሕበራዊ ሕቶታት ናይ ህዝቢ ንምምላስ ማሕበራዊ ሕጊ ተማእዚዙ ዝዓዪ ኣሃዱ ኢዩ። እት ልክዕ ስሙ ድማ ከከም ዝጥዕም ብነፍሲ ወከፍ ምምሕዳር ክስየም ይኽእል። \n\nኣሃዱ ማሕበራዊ ኣገልግሎት በቲ ኣብ 2001 (ዓንቀጽ 2001\/453) ዝተደንገገ ተማእዚዙ ይሰርሕ። ቅድሚኡ ግን እቲ ሓሳብ (እዚ ሕጂ ማሕበራዊ ኣገልግሎት) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ካልእ ስም ማለት ማሕበራዊ ክንክን ብዝብል ኢዩ ይጽዋዕ ኔሩ። ቅድሚ 1956 ድማ ክንክን ድኻታት ወይ ድማ ምእላይ ድኻታት ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ ዝነበረ።\n\nእቶም ነዚ ዓይነት ኣግለግሎት ዝጥቀሙ ሰባት (ተረባሕቲ ናይዚ ኣገልግሎት ዝኾኑ) ድማ፣ ተገልገልቲ፣ ተጠቀምቲ፣ ዓማዊል፣ ተረባሕቲ ተባሂሎም ከከም ኩነታቱ ይጽዉዑ ኔሮም።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=5900"} {"headline":"ማሕበራዊ ኣገልግሎት","content":"ማሕበራዊ ኣገልግሎት\n\nማሕበራዊ ኣገልግሎት ወይ ድማ ኣሃዱ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብምምሕዳርዊ ቅርጺ ናይ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ምምሕዳር ተማእዚዙ ዝኸይድ ኣሃዱ ኮይኑ፣ ፖለቲካዊ፣ ኮነ ማሕበራዊ ሕቶታት ናይ ህዝቢ ንምምላስ ማሕበራዊ ሕጊ ተማእዚዙ ዝዓዪ ኣሃዱ ኢዩ። እት ልክዕ ስሙ ድማ ከከም ዝጥዕም ብነፍሲ ወከፍ ምምሕዳር ክስየም ይኽእል። \n\nኣሃዱ ማሕበራዊ ኣገልግሎት በቲ ኣብ 2001 (ዓንቀጽ 2001\/453) ዝተደንገገ ተማእዚዙ ይሰርሕ። ቅድሚኡ ግን እቲ ሓሳብ (እዚ ሕጂ ማሕበራዊ ኣገልግሎት) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ካልእ ስም ማለት ማሕበራዊ ክንክን ብዝብል ኢዩ ይጽዋዕ ኔሩ። ቅድሚ 1956 ድማ ክንክን ድኻታት ወይ ድማ ምእላይ ድኻታት ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ ዝነበረ።\n\nእቶም ነዚ ዓይነት ኣግለግሎት ዝጥቀሙ ሰባት (ተረባሕቲ ናይዚ ኣገልግሎት ዝኾኑ) ድማ፣ ተገልገልቲ፣ ተጠቀምቲ፣ ዓማዊል፣ ተረባሕቲ ተባሂሎም ከከም ኩነታቱ ይጽዉዑ ኔሮም።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=5901"} {"headline":"ትሪኒዳድን ቶባጎን","content":"ትሪኒዳድን ቶባጎን\n\nትሪኒዳድን ቶባጎን (ብእንግሊዝኛ፦ Trinidad and Tobago)፣ ወግዓዊ ስማ ሪፓብሊክ ትሪኒዳድን ቶባጎን እያ (ብእንግሊዝኛ፦ Republic of Trinidad and Tobago)፣ ካብተን ንደሴታዊት ኣመሪካ ዘቑማ ዓሰርተ ሰለስተ ሃገራት ሓንቲ እያ። ርእሰ ከተማኣ ፖርት ኦፍ ስፔን እያ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=5923"} {"headline":"ጸሓይ","content":"ጸሓይ\n\nጸሓይ ወይ ፀሓይ (ትእምርቲ: )","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=5928"} {"headline":"ወርሒ","content":"ወርሒ\n\nወርሒ (ትእምርቲ: )","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=5929"} {"headline":"ጎ፣ ዶግ። ጎ!","content":"ጎ፣ ዶግ። ጎ!\n\nጎ፣ ዶግ። ጎ! () ኣመሪካውያን አኒሜሽን ተለቪዥን ፕሮግራም።\n\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=5951"} {"headline":"ፋሽስታዊ ፅውፅዋይ","content":"ፋሽስታዊ ፅውፅዋይ\n\nፋሽስታዊ ፅውፅዋይ ወይ ምስጢራዊ እምነት (ብጣልያንኛ፦ \"ሚስቲካ ፋሲስታ\") ኣብ ፋሺስት ጥልያን ዝነበረ፣ ኣብ ፊደኒዝም፣ እተመስረተ ቅቡል ወይ ልሙድ ምንቅስቓስ ናህሪ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ኣተሓሳስባ እዩ ነይሩ፣ እዚ እምነት እዚ ብዘይ ምኽንያት ዝነበረ እዩ፣ ፋሺሽታዊነት ከኣ ኣብ ፅውፅዋያትን መንፈሳዊ ምስጢራውነትን እተመስረተ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እምነት።\n\nSection::::ትርጉም.\nኒኮሎ ጂያኒ ንትርጕም ምስጢራዊነት ካብቲ ፈረንሳዊ ፈላስፋ ሉዊ ሩጀር ዝጸሓፎ ጽሑፍ ኢዩ ወሲድዎ - \n\nምስጢር ምስ ልምዲ ወይ ስምዒት ዚሰማማዕ እተፈላለየ ሓሳባት እዩ ፣ እዚ ሓሳባት እዚ ርትዓዊ መመኽነይታ እኳ እንተ ዘይኰነ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ነቲ ናብኡ ዝመርሐ ቐንዲ ምኽንያታት ዚርስዕ እዩ። |ሉዊ ሩጀር ኣብ ኒኮሎ ጃኒ ብ9 ጥቅምቲ 15 ጥቅምቲ 1932 \n\nጃኒ ምስ ሩዥየር ብምስምማዕ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ፋሺስት ሚስቲሲዝም ዘቕረቦ መግለጺ ፋሺዝም 'ምስጢራዊ' መዳይ ከም ዘለዎ ኣጕልሐ ከመይሲ ፋሺዝም እተሓላለኸ ስነ-ምግባራውን ማሕበራውን ፖለቲካውን ምድብን ቀኖናውን እምነታት ኢዩ ዘመሓላልፎ እዚ ድማ ብሓፋሽ ይኹን ብሒደት ሰባት ተቐባልነት ረኺቡ ኣብ ሕቶ ዘይኣቱ ኢዩ ። ... [ፋሽስት] ኣብቲ ፋሺስትን ፈጣርን ስልጣነ ዝዀነ ዘይጋገ ዱስ በኒቶ ሙሶሊኒ ኸም ዚኣምን ገለጸ፣ [ፋሽስት] ካብ ዱስ ወጻኢ ዝዀነ ይኹን ነገር መንፈሳዊ ወይ ኣረማዊ ኣተሓሳስባ ኸም ዘለዎ ይኽሕድ እዩ።\"\" ኣልዶ ግራንዲ 'ግሊ ኢሮይ ዲ ሙሶሊኒ። Niccolò ጃኒ ኢ ላ ስኩኦላ ዲ ሚስቲካ ፋሺስታ 'ሚላኖ ሪዞሊ (ኤዲዝዮኒ ቡር) 2004 ፓግ.32\n\nSection::::የፕሮቴክተሮኒስት.\nነቲ ናይ ፋሺስት ምስጢር ኣብ ግምት ከእትዉዎ ኸለዉ ኢጣልያውያን ፈላስፋታት ዝገብርዎ ወፈያ \"ናይ ምሕሳብ ዝንባለ\" ጥራይ ኢዩ ዘሎ እንተዀነ ግን ነቲ ኒኖ ትሪፖዲ ዝጠቐሶም ሩዥየር ኣልበርት ሶረል ከምኡውን ሄንሪ በርግሰን መምርሒ ኣብ ክንዲ ዝህቡ ኣብ መንእሰያት ምስጢራት ናይ ኣእምሮ ዅነታት ኣብ ምውሳን ኣድላዪ እኳ እንተ ነበረ ጠቒሶምዎ ኢዮም። ብመሰረት እቲ ኢንዞ ፓሲ ዚበሃል ፈላስፋ ዝበሎ ፋሺስት ምስጢራዊ ኣተሓሳስባ ኸምቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ባህሊ ኒቸስን ሶረልን ጸልይዎም እዩ -\nመሰረታዊ ስርዓታት ምስጢራዊ ፋሺዝም ብዓብዪኡ በቶም ኒኮሎ ጃኒን ምስቶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ፋሺስት ሚስቲዝም (እንተላይ ጊዶ ፓሎታን በርቶ ሪቺን) ዝነበሩ መምህራን እተኣስሩ ሒደት ኣባላት ፋሺስት ዝቘመ ኢዩ ገለ ኻብዚኣቶም ከኣ ፈርዲናንድ መዛሶማ ኢዮም ጁሰፔ ቦታይ) በቶም ፋሺስት እምነት (ቴለሲዮ ኢንተርላንዲ ቨርጂንያ ጋይዳ) ከምኡውን በኒቶ ሙሶሊኒ እተረጋገጹ ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን እተዳለወ። ኣብ መወዳእትኡ ነቲ ምስ ፖሊሲታት ቤት ትምህርቲ ፋሺስት ሚስቲዝም ዚተሓሓዝ ስነ-ስርዓትን መምርሒታትን \"ፋሽስት\" ኣብ ምምዕባል ስዒቡ ዝመጸ ባህላዊ መስመራት መርመሮ። ኣብ ከባቢ እዚ ሕመረት ናይቶም ልዑል ግምት ዘለዎም ምሁራት ንኻልኦት ዘተኰረ ኢዩ ነይሩ ንፓውሎ ኦራኖ ሉዊጂ ስተፋኒኒ (ናይ ፋሺስት ሚስቲዝም ቤት ትምህርቲ ወግዓዊ ኣማኻሪ ዝነበረ) ከምኡውን ጁልየስ ኢቮላ ከምኡውን ጆቫኒ ኣህዛብን ተማሃራይን ዓርኩን ኣርማንዶ ካርሊኒን ሓዊስካ ካርሊኒ ኣብ ፋሺስት \"ምስጢር\" ሕጽር ዝበለ ግደ ዝነበሮ ኢዩ ዝመስል።\n\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=5959"} {"headline":"ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ","content":"ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ\n\nሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ (ብሳንጎ፣ \"Ködörösêse tî Bêafrîka\"፤ ብፈረንሳይኛ፣ \"République centrafricaine\"፣ ወይ ብቐሊሉ ማእከላይ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ እትርከብ ብባሕሪ ዘይተዓጽወት ሃገር እያ። ርእሰ ከተማን ዝበዝሐ ህዝቢ ዝነብረላን ከተማ ባንጊ እያ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=5962"} {"headline":"ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን","content":"ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን\n\nኣብዚ እዋን እዚ፣ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ኣብ ኤርትራ እንኮ ሕጋዊ ፖለቲካዊ ሰልፊ እዩ። ብኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ኮይኑ፣ ብግዲኡ መራሒ ሃገር እዩ። ብለካቲት 1994 ኣብ ዘካየዶ ሳልሳይ ጉባኤኡ፣ ስሙ ናብዚ ሕጂ ዘሎ ዝቐየረ ማርክሳዊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ከም ተካኢ እዩ ዝቑጸር። እቲ ትካል፣ ንኤርትራውያን ሃገራውያን፣ ማሕበራዊ ደርቦም ብዘየገድስ፣ ኣብ ሓደ ዘራኽብ፣ ሰፊሕ መሰረት ዘለዎ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ክኸውን ዝዓለመ እዩ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=5970"} {"headline":"ሓጋጊ ኣካል","content":"ሓጋጊ ኣካል\n\nሓጋጊ ኣካል፣ ኣብ ርእሲ ምምሕዳር ባጀት መንግስቲ፣ ንሓደ ከም ሃገር ወይ ከተማ ዝኣመሰለ ፖለቲካዊ ኣካል ሕጊ ናይ ምፍጣር ፍሉይ ስልጣን ዘለዎ ናይ ምምይያጥ ባይቶ እዩ። ሓገግቲ ኣካላት ኣገዳሲ ኣካል መብዛሕትኦም መንግስታት እዮም፤ ኣብ ሞደል ምፍልላይ ስልጣን ምስ ፈጻሚን ፍርድን ጨናፍር መንግስቲ ብምንጽጻር ብተመሳሳሊ መንገዲ ብመሰረት ሕገ መንግስታዊ ድንጋገታት ተግባራቶም ናይ ምቁጽጻር ሓላፍነት ዝወስድን እዩ።\n\nብሓገግቲ ኣካላት ዝሕንጽጹ ሕግታት ሕጋገ ተባሂሎም ይፍለጡ። ሓገግቲ ኣካላት ንተግባራት መንግስቲ ይከታተሉን ይመርሑን ብሓፈሻ ድማ ኣብቲ መስርሕ ዝሳተፍ ባጀት ወይ ባጀታት ናይ ምምሕያሽ ብሕታዊ ስልጣን ኣለዎም።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6005"} {"headline":"ግብጺ","content":"ግብጺ\n\nግብጺ፣ ወይ ምስሪ (፤ ብቅብጢ፦ Ⲭⲏⲙⲓ)፣ ብወግዒ ዓረባዊት ሪፓብሊክ ግብጺ (ብዓረብኛ፦ )፣ ስግረ-ኣህጉራዊት ልኡላዊት ሃገር እያ። መብዛሕትኡ ኣብ ጫፍ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክትርከብ እንከላ፣ ኣብ ኤስያ ድማ ኣብ ሓውሲ ደሴት ሲና ትርከብ። ብደቡብ ምስ ሱዳን፣ ብምዕራብ ምስ ሊብያ፣ ብሰሜናዊ ምብራቕ ድማ ምስ ጋዛ (ፍልስጤም)ን እስራኤልን ትዳወብ። ብሰሜን ምስ ማእከላይ ባሕሪ ብደቡባዊ ምብራቕ ድማ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ትዳወብ።\n\nዳርጋ ፍርቂ ግብጻውያን ኣብ ከተማታት ይነብሩ፣ ብፍላይ ኣብተን ጽዑቕ ህዝቢ ዝነብረለን ማእከላት ካይሮን፣ ርእሰ ከተማኣ፣ እስክንድርያን ይነብሩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6008"} {"headline":"ኢትዮጵያውያን ኣውስትራሊያውያን","content":"ኢትዮጵያውያን ኣውስትራሊያውያን\n\nኢትዮጵያውያን ኣውስትራሊያውያን (\"Ethiopian Australians\") ኣብ ኣውስትራሊያ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ወይ ድማ ኢትዮጵያዊ ቅርሲ ዘለዎም ኣውስትራሊያውያን እዮም። ኣስታት 18,600 ኣውስትራሊያውያን ቅርሲ ኢትዮጵያ ዘለዎም ኮይኖም 5,633 ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዶም።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6011"} {"headline":"ዓድዋ","content":"ዓድዋ\n\nዓድዋ ኣብ ማእኸል ትግራይ እትርከብ ከተማ እያ።\n\nካብ ዓድዋ ክሳብ ኣስመራ 120 ኪሎሜተር እዩ።\n\nካብ ዓድዋ ክሳብ ኣክሱም 20 ኪሎሜተር እዩ።\n\nዓድዋ ብኣኽራን ዝተኸበበት እያ። ገለ ካብቶም ኣኽራናት ሶሎዳ ተባሂሎም ይጽውዑ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6012"} {"headline":"ሕቡራት ሃገራት","content":"ሕቡራት ሃገራት\n\nውድብ ሕቡራት ሃገራት ወይ ተባበሩት መንግስታት 193 ሃገራት ዝሓቖፈ ማሕበር እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6013"} {"headline":"ሺንዞ ኣቤ ተዅሲ","content":"ሺንዞ ኣቤ ተዅሲ\n\nሺንዞ ኣቢ ብ8 ሓምለ 2022 ኣብ ጃፓን እተፈጸመ ናይ ቅትለት ጕዳይ ኢዩ ነይሩ ።ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ነበር ሺንዞ ኣቢ ብሓደ ወዲ 41 ዓመት ሰብኣይ ተረሸነ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6015"} {"headline":"ዴቪድ ዉዳርድ","content":"ዴቪድ ዉዳርድ\n\nዴቪድ ዉዳርድ (; 6 ኣፕሪል 1964 ኣብ ሳንታ ባርባራ ካሊፎርንያ ውሽጢ ዝተወለደ) ኣመሪካዊ መሪሕነት ኦርኬስትራን ጸሓፊ ድሕረ ዘመናዊ ታሪኽን ኮይኑ፣ ከምኡ’ውን ናይ ፍሉጣት ባዕዳዊ ገዛእቲ ስድራቤታት ኣሜሪካ ዘርኢ ኣለዎ።\nዉዳርድ ኣብ ፓራጓይ ምስ ንማዕርነት መሰል ደቂ ኣንስትዮ ትቓለስን(ፌሚኒስት)\/ኣብ ኣመጋግባ ተዋጽኦ ስጋን ጸባን ዘይኮኑ ምግብታት ትነጥፍን ኑዌቫ ጀርመንያ እትበሃል ግለ ሰብ ብዝሰርሖ ስራሕ እውን ይፍለጥ። ኣብታ ምስ ስዊዘርላንዳዊ ጸሓፊ ልብ-ወለድ ክርስቲያን ክራክት ብሓባር ብምኻን ብቋንቋ ጀርመን ዝተጻሕፈት \"Five Years\" ዘርእስታ መጽሓፉ፣ገለ ኣብቲ ቦታ ዝተሰርሐ ሰብኣዊ ስራሕ ትገልጽ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6020"} {"headline":"ዲኔፕሮፔትሮቭስክ","content":"ዲኔፕሮፔትሮቭስክ\n\nዲኔፕሮፔትሮቭስክ () — በዩክሬን ውስጥ ከተማ. ከተማዋ በዲኔፐር ወንዝ ላይ ትገኛለች. ከኪየቭ ፣ ካርኮቭ እና ኦዴሳ በኋላ በዩክሬን ውስጥ አራተኛው የህዝብ ብዛት ያለው ከተማ። ","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6028"} {"headline":"፪፻ (200)","content":"፪፻ (200)\n\nSection::::ወረዳ ሰንዓፈ.\nSection::::መስሓል ወደ’ከለ.\n እምባ-ብደሓን፡ ኮኾባይ፡ ሰርሓ፡ ማይ-ጻዕዳ፡ ጻዕዳ-ኮርሶ፡ መስሓል፡ ማይ-ኣጉለ፡ ጸጸን፡ ምራራ፡ ድብድብ፡ ዓዲ-ዕንቅርቲ፡ሑጓ-ወዲማንታ፡ ሳግላ፡ ጉልዒ፡ ዓዲኻ፡ ዓዲ-ሓዞ፡ ደማጺ፡ ዓዲ-ንግድዮ፡ ሮኾይቶ፡ መምብሮ፡ ገልጋሊት፡ በዓቲ-ጸላም፡ ክሳድ-ብሩኻ\n\nSection::::ወደ’ከለ ኣኽራን.\n ገርገራ፡ ሓድሽ-ዓዲ፡ ዓዲመስገነ፡ ዳምባ-ሓይሽ፡ ዓዲ-ኹቱ፡ ቅንቶ፡ ዑና-ሸሓቕ፡ እንገበቶ፡ ክንን፡ መስሓል፡ ጸሊም ቀላይ፡ ዓዲሻሁ፡ ዒንጣ፡ ቆሎ-ብርዶ፡ ሰብዖ፡ ሓስሓስ\n\nSection::::ዝባውንቲ.\n ኣሮሞ፡ ነድወ፡ ዓድ-ምባርኽ፡ ምግዳር-ደበና፡ ምሳርሓ፡ ዓዲቁሪ፡ ዝግፈት፡ ቀልቀል-መልዓሳ፡ ኣሕፍሲ፡ ሑጓእና\n\nSection::::መነዅሰይቶ.\n ዓዲ-ሰራው፡ ዓዲ-ብጽዖ፡ ሳዕስዕ፡ ዓዲ-ብሎና፡ መነዅሰይቶ፡ ዀለት፡ ግርዓና\n\nSection::::ዓዲ-ጉልቲ.\n ጉቦ፡ እምባ-ሕሰኣ፡ ቢሓት፡ እግሪ-ማንታ፡ ዓዲ-ዕንቅርቲ፡ ፍቕያ፡ ዓደጣል፡ ሕንጠጥፌ፡ በራቒት፡ ፍያሻ\n\nSection::::እንዳ-ዳሽም.\n ዓደርሖ፡ ሓድሽ-ዓዲ፡ በረክንሃ፡ እምባቖም፡ እምባርሓጎዳ\n\nSection::::ቤት-መጣዕ.\n ሃም፡ ጭዓናዱግ፡ ኣምበሰተ፡ ገለባ፡ ደብረሊባኖስ፡ ዓዲ-ጠላዕ፡ እግሪ-ኣቦው፡ ኣረገን፡ ፍሐ፡ ኣሕዝ፡ ዑና-ወለስቲ፡ ዓዲ-መረታ\n\nSection::::ላዕላይ ኣጕሩፍ.\n ክሳድ-ኣጕሩፍ፡ ዘዀሎ፡ ጨዓ፡ ዓዲ-ባዕከር፡ ዝባን-ኣዋሊዕ፡ መጠራ፡ ጨፋ፡ መቓይሕ፡ ኣገርጽዮት፡ ሓድሽ-ዓዲ፡ መደረ፡ ሰሉስ \n\nSection::::ታሕታይ ኣጕሩፍ.\n ክሳድ-እምባ፡ መገዲ-ዕርፊ፡ ዓቕብ-ጎርዞ፡ ግያስሕ፡ ዓደ'ባጊዕ፡ ዓዲ-ኣጣል፡ እምባለኻ፡ ጨጓሮ፡ ዓዲ-ሕሾ፡ ዓዲ-ዓባስ፡ ኣውላዕ ሓሓይለ፡ ሰንዓፈ\n\nSection::::ዘርኢሞሲ.\n ዕቡኽ፡ ዓሶጹር፡ ክሸዓት፡ ደናጉል፡ ብርቀነነ፡ ዓዲ-ኣሮና፡ ሓመስ፡ ካሪቦሳ፡ ዓዲ-ሃንስ፡ ማይሩባ፡ ነጠባ፡ ቀርኒ-ማጨው፡ ጉርጉር፡ ማይ-ኣብዓ፡ ማይ-ጕንዲ፡ ዓዲ-ሰጣሕ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6033"} {"headline":"200 - ወረዳ ሰንዓፈ","content":"200 - ወረዳ ሰንዓፈ\n\nዓድታት ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ \/ ወረዳ ሰንዓፈ \n\nSection::::መስሓል ወደ’ከለ.\n እምባ-ብደሓን፡ ኮኾባይ፡ ሰርሓ፡ ማይ-ጻዕዳ፡ ጻዕዳ-ኮርሶ፡ መስሓል፡ ማይ-ኣጉለ፡ ጸጸን፡ ምራራ፡ ድብድብ፡ ዓዲ-ዕንቅርቲ፡ ሑጓ-ወዲማንታ፡ ሳግላ፡ ጉልዒ፡ ዓዲኻ፡ ዓዲ-ሓዞ፡ ደማጺ፡ ዓዲ-ንግድዮ፡ ሮኾይቶ፡ መምብሮ፡ ገልጋሊት፡ በዓቲ-ጸላም፡ ክሳድ-ብሩኻ\n\nSection::::ወደ’ከለ ኣኽራን.\n ገርገራ፡ ሓድሽ-ዓዲ፡ ዓዲመስገነ፡ ዳምባ-ሓይሽ፡ ዓዲ-ኹቱ፡ ቅንቶ፡ ዑና-ሸሓቕ፡ እንገበቶ፡ ክንን፡ መስሓል፡ ጸሊም ቀላይ፡ ዓዲሻሁ፡ ዒንጣ፡ ቆሎ-ብርዶ፡ ሰብዖ፡ ሓስሓስ\n\nSection::::ዝባውንቲ.\n ኣሮሞ፡ ነድወ፡ ዓድ-ምባርኽ፡ ምግዳር-ደበና፡ ምሳርሓ፡ ዓዲቁሪ፡ ዝግፈት፡ ቀልቀል-መልዓሳ፡ ኣሕፍሲ፡ ሑጓእና\n\nSection::::መነዅሰይቶ.\n ዓዲ-ሰራው፡ ዓዲ-ብጽዖ፡ ሳዕስዕ፡ ዓዲ-ብሎና፡ መነዅሰይቶ፡ ዀለት፡ ግርዓና\n\nSection::::ዓዲ-ጉልቲ.\n ጉቦ፡ እምባ-ሕሰኣ፡ ቢሓት፡ እግሪ-ማንታ፡ ዓዲ-ዕንቅርቲ፡ ፍቕያ፡ ዓደጣል፡ ሕንጠጥፌ፡ በራቒት፡ ፍያሻ\n\nSection::::እንዳ-ዳሽም.\n ዓደርሖ፡ ሓድሽ-ዓዲ፡ በረክንሃ፡ እምባቖም፡ እምባርሓጎዳ\n\nSection::::ቤት-መጣዕ.\n ሃም፡ ጭዓናዱግ፡ ኣምበሰተ፡ ገለባ፡ ደብረሊባኖስ፡ ዓዲ-ጠላዕ፡ እግሪ-ኣቦው፡ ኣረገን፡ ፍሐ፡ ኣሕዝ፡ ዑና-ወለስቲ፡ ዓዲ-መረታ\n\nSection::::ላዕላይ ኣጕሩፍ.\n ክሳድ-ኣጕሩፍ፡ ዘዀሎ፡ ጨዓ፡ ዓዲ-ባዕከር፡ ዝባን-ኣዋሊዕ፡ መጠራ፡ ጨፋ፡ መቓይሕ፡ ኣገርጽዮት፡ ሓድሽ-ዓዲ፡ መደረ፡ ሰሉስ \n\nSection::::ታሕታይ ኣጕሩፍ.\n ክሳድ-እምባ፡ መገዲ-ዕርፊ፡ ዓቕብ-ጎርዞ፡ ግያስሕ፡ ዓደ'ባጊዕ፡ ዓዲ-ኣጣል፡ እምባለኻ፡ ጨጓሮ፡ ዓዲ-ሕሾ፡ ዓዲ-ዓባስ፡ \nSection::::ሰንዓፈ.\n ኣውላዕ ሓሓይለ፡ መጠራ ፡ ካንቦ፡ ሓኪር፡ መንሱራ \n\nSection::::ዘርኢሞሲ.\n ዕቡኽ፡ ዓሶጹር፡ ክሸዓት፡ ደናጉል፡ ብርቀነነ፡ ዓዲ-ኣሮና፡ ሓመስ፡ ካሪቦሳ፡ ዓዲ-ሃንስ፡ ማይሩባ፡ ነጠባ፡ ቀርኒ-ማጨው፡ ጉርጉር፡ ማይ-ኣብዓ፡ ማይ-ጕንዲ፡ ዓዲ-ሰጣሕ\n\nSection::::ሎጎሳርዳ.\n ወልሽ፡ ኣራዝን፡ ሳእምኒ፡ ምራራ፡ ዓዲ ሕመት፡ ማይ ጨና፡ እንዳ ፍጨማ፡ ኣንፍዑና፡ ድባር፡ ሱኩም፡ ዓቤት፡ ሳርዳ፡ ለጸት፡ ምስዳው ፈረስ፡ ዓዲ ሓማእዳ፡ ዑናማይደይ፡ ጾረና፡ ማይ ዓገም፡ ኩዶ ወይባ፡ ዑናናዞ፡ ምሕራድ ጨለ፡ ገማዕ፡ ደባሲት፡ ቆሎሚያ፡ እግሪ መከል፡ ድቢ፡ ክርበሊ፡ ሩባሽሮ፡ እንዳሸሪፍ፡ ቀላይራዛ፡ ምርዳእ ደሓን፡ ዘርባቢት፡ ምስራር፡ ድግማ፡ ጉበለ \n\nSection::::ዕንደሎ.\n ዕንደሎ፡ ጉንዲ፡ እንገልዕላ፡ ማዕበለ፡ ራጋሊ፡ ኣልሓ\n\nSection::::ሶይራ.\n ሰራድ-ላዲጋ፡ ናርዐ፡ ድንደር፡ መልሕ-ደጋ፡ ማማሎ፡ ኣጋራ፡ ዑሎ፡ ዓዲ-መርበር፡ ንእሽቶ-መርበር፡ ገረድፋ፡ ጥሻ፡ ኣሳድ፡ ሞሻ፡ ኣደሕሉፍ፡ ዑረ-ደጋ\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6034"} {"headline":"ማክዶናልድስ","content":"ማክዶናልድስ\n\nማክዶናልድስ (ብእንግሊዝኛ፦ McDonald's)፣ ኣብ ቺካጎ፣ ኢሊኖይ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ዘለዎ ኣመሪካዊ ሰንሰለት ኣብያተ መግቢ ቅልጡፍ መግቢ እዩ። ቀንዲ ፍርያቱ ድማ ሃምበርገራት፣ ቅልዋ ድንሽ፣ ዝርዝር መግቢ ቁርስን ልስሉስ መስተታትን እዮም። ኣብ መዓልቲ ንኣስታት 68 ሚልዮን ዓማዊል የገልግል፣ ኣብ ልዕሊ 36 ሽሕ ትካላት ኣብ 118 ግዝኣታትን ሃገራትን ዓለም።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6037"} {"headline":"ዪዱ በቢሀስኪ መሂፊእሲዛሎ ዞንፂፀሱ በቮ ፀአእፋቃ ላሎዛዞ ንጊጅት","content":"ዪዱ በቢሀስኪ መሂፊእሲዛሎ ዞንፂፀሱ በቮ ፀአእፋቃ ላሎዛዞ ንጊጅት\n\nሂድገሰዊጂከ ሚዱቁጀድዛ በሳዋጦኾኑ ቪፊክሬሦ ፍሎበአእቁ","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6043"} {"headline":"ዩቱብ","content":"ዩቱብ\n\nዩቱብ (ብእንግሊዝኛ፦ YouTube)፣ ኣመሪካዊ መበቆል ዘለዎ ቪድዮታት ንምክፋል ዝዓለመ መርበብ ሓበሬታ እዩ። ዝተፈላለዩ ናይ ፊልም ክሊፓት፣ መደባት ተለቪዥንን ቪድዮታት ሙዚቃን ዝሓዘ እዩ። ነዚ መድረኽ ትሕዝቶ ዝፈጥሩ ሰባት ብሓፈሻ \"ዩቱበርስ\" ተባሂሎም ዝፍለጡ እዮም።\n\nኣብ ለካቲት 2005 ብሰለስተ ሰራሕተኛታት ፐይፓል ነበር ዝተፈጥረ ኮይኑ፣ ኣብ ጥቅምቲ 2006 ብጉግል ብ1.65 ቢልዮን ዶላር ተዓዲጉ፣ ሕጂ ድማ ከም ሓደ ካብ ትሕተ-ቅርጺ ትካላቱ ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ። ኣብ ኢንተርነት ብዓይነቱ ዝበዝሐ ዝጥቀመሉ መርበብ ሓበሬታ እዩ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6047"} {"headline":"Televijiinii","content":"Televijiinii\n\nቴሌቪዥን ካብ መተሓላለፊ ስእልን ድምጽን ምልክታት ዝቕበል ዓይነት ርክብ እዩ። እቲ \"ቴሌ-\" ዝብል ክፋል ብግሪኽ \"ርሑቕ\" ማለት ኮይኑ \"-ራእይ\" ድማ ካብ ሮማዊ \"ቪዥዮ\" \/ቪዥዮ\/ \"ምርኣይ\" (\"ምርኣይ\") ዝመጸ እዩ። ብሓፈሻ ተለቪዥን ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ዝንቀሳቐስ ምስልታት (መብዛሕትኡ ግዜ ድምጺ) ንምትሕልላፍ ዝጥቀመሉ ናይ ርክብ መሳርሒ እዩ። እዚ እንተኾይኑ ሽዑ እቲ zeedaa ተለቪዥን ንኽልቲኡ ነቲ ምቕራጽ ምስልን ነቲ ምስል ተቐባሊን የጠቓልል፣ ንቡር ግን ነቲ ምስሊ ተቐባሊ ጥራይ ኢና ንጽውዖ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6053"} {"headline":"ቴሌቪዥን","content":"ቴሌቪዥን\n\nቴሌቪዥን ካብ መተሓላለፊ ስእልን ድምጽን ምልክታት ዝቕበል ዓይነት ርክብ እዩ። እቲ \"ቴሌ-\" ዝብል ክፋል ብግሪኽ \"ርሑቕ\" ማለት ኮይኑ \"-ራእይ\" ድማ ካብ ሮማዊ \"ቪዥዮ\" \/ቪዥዮ\/ \"ምርኣይ\" (\"ምርኣይ\") ዝመጸ እዩ። ብሓፈሻ ተለቪዥን ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ዝንቀሳቐስ ምስልታት (መብዛሕትኡ ግዜ ድምጺ) ንምትሕልላፍ ዝጥቀመሉ ናይ ርክብ መሳርሒ እዩ። እዚ እንተኾይኑ ሽዑ እቲ zeedaa ተለቪዥን ንኽልቲኡ ነቲ ምቕራጽ ምስልን ነቲ ምስል ተቐባሊን የጠቓልል፣ ንቡር ግን ነቲ ምስሊ ተቐባሊ ጥራይ ኢና ንጽውዖ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6054"} {"headline":"ኣቆጻጽራ ኦሮሞ","content":"ኣቆጻጽራ ኦሮሞ\n\nኣቆጻጽራ ኦሮሞ ህዝቢ ኦሮሞ መዓልታትን ኣዋርሕን ዓመታትን ዝቖጽረሉ ኣገባብ እዩ። እዚ ኣቆጻጽራ 300 ዓመት ዝገበረ እዩ። ብመሰረት እዚ ኣቆጻጽራ ኣብ ሓደ ወርሒ 29.5 መዓልታት፡ ኣብ ዓመት ዓሰርተው ክልተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ዓመት ድማ 354 መዓልታት ኣለዋ። ዓሰርተታት ዓመታት ሰሙናት የብሎምን ኣብ ወርሒ ኩለን መዓልታት ድማ ኣስማት ኣለወን። ኣቆጻጽራ ኦሮሞ ኣብ ወርሕን ከዋኽብትን ዝተመርኮሰ እዩ።\n\nSection::::ታሪኽ.\nኦሮሞ ኣብ ከባቢ 300 ቅ.ል.ክ. ኣብ ሰሜናዊ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ናሞራቱንጋ ኣርኪዮ-ስትሮኖሚያዊ ቦታ፡ ምዕራባውያን ቦራና ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ኰዀባት ኣንፈት ዝሕብር ዓንዲ እምኒ ተረኺቡ። ዳግማዊ ናሞራቱንጋ ኣብ ኣቆጻጽራ ኦሮሞ ዝጥቀሙሉ ሸውዓተ ኮኾባት ኣንፈት ገጾም ዝጥምቱ 19 ዓምድታት ባዛልት ኣለዎ። እቶም ከዋኽብቲ ትሪኣንጉሉም (ብኣፋን ኦሮሞ: ሚሚ)፣ ፕለያደስ (ብኣፋን ኦሮሞ: ቡሶን)፣ ቤላትሪክስ (ብኣፋን ኦሮሞ: ኣልጋጂማ)፣ ኣልደባራን (ባከልቸ)፣ ማእከላይ ኦርዮን (ብኣፋን ኦሮሞ: ኣርበ ጋዱ)፣ ሳይፍ (ብዓፋን) እዮም። ኦሮሞ፡ ኡርጂ ወላ) ከምኡ’ውን ስርየስ (ባስ)። ኣቆጻጽራ ኦሮሞ ነዚ ንምምሃዝ እዚ ተመራማሪ ከዋኽብቲ ከምዝተጠቕመሉ ይእመን።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6055"} {"headline":"ባንዴራ ቤልጎሮድ","content":"ባንዴራ ቤልጎሮድ\n\nባንዴራ ቤልጎሮድ ሓንቲ ካብተን ወግዓውያን ምልክታት (ምስ ኣርማ) ከተማ ቤልጎሮድ፡ ዞባ ቤልጎሮድ፡ ፈደረሽን ሩስያ እያ። ባንዴራ ምልክት ሓድነትን ምትእስሳርን ነበርቲ እታ ከተማ እያ።\n\nእዛ ሕጂ ዘላ ባንዴራ ብውሳነ ቤት ምኽሪ ምክትላት ከተማ ቤልጎሮድ ቁጽሪ 321 ብ22 ሓምለ 1999 ተጸዲቓ ኣብ 2002 ኣብ መዝገብ ስቴት ሄራልዲክ ፈደረሽን ሩስያ ብቁጽሪ ምዝገባ 978 ኣትያ።.\n\nSection::::መግለጺ.\nባንዴራ ከተማ ቤልጎሮድ (ሰማያዊ ሸራ ኣብ ታሕቲ ጻዕዳ መስመር ዘለዎ) ብጫ ኣንበሳ ኣብ ድሕሪት እግሩ ደው ኢሉ ኣብ ልዕሊኡ ጻዕዳ ንስሪ ይንሳፈፍ። ምልክታት እታ ከተማ ልዕሊ 300 ዓመት ዝዕድሚኦም ኮይኖም ኣብ ዘመነ ንግስነት ጴጥሮስ ቀዳማይ ዝተራእዩ እዮም።ዛር ሩስያ ንኽብሪ ኣብ ውግእ ፖልታቫ (1709) ኣብ ልዕሊ ሽወደናውያን ዝረኸቦ ዓወት ንህዝቢ ቤልጎሮድ ኣርማ ኣበርኪቱ። ብ1712 እቲ ምልክት ዕጥቂ ኣብ ሰንደቕ ዕላማ ናይቲ ንጸላኢ ዝሰዓረ ረጅመንት ቤልጎሮድ ተሳኢሉ፡ ብ1727 ድማ ምልክት ናይታ ሓዳስ ዝተመስረተት ኣውራጃ ኰነት።.\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6056"} {"headline":"ቦጎታ","content":"ቦጎታ\n\nቦጎታ ርእሰ ከተማ ኮሎምብያ እያ። ከምኡ’ውን ኣብ ኮሎምብያ ዝዓበየት ከተማ እያ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6058"} {"headline":"ሳን ማሪዮ","content":"ሳን ማሪዮ\n\nሳን ማሪዮ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ዝነኣሳ ሃገራት ሓንቲ እያ። ኣብ ኤውሮጳ ዝርከብን ብጣልያን ዝተኸበበን እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6060"} {"headline":"ኩባ","content":"ኩባ\n\nኩባ (፣ ብወግዒ ሪፓብሊክ ኩባ (፣ ልኡላዊት ደሴታዊት ሃገር ኮይና፣ ኣብ ኣንቲለስ ባሕሪ ካሪብያን ሰፊራ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6062"} {"headline":"ሮቤል ተኽለሚካኤል","content":"ሮቤል ተኽለሚካኤል\n\nሮቤል ተኽለሚካኤል ባህታ (ተወሊዱ 11 ሓምለ 2000) ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኮይኑ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ክለብ ኢትዮጵያ ቡና ከም ተኸላኻላይ ዝጻወትን ሓለቓ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን እዩ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6067"} {"headline":"ቅዱስ ጊዮርጊስ ኤስ.ሲ","content":"ቅዱስ ጊዮርጊስ ኤስ.ሲ\n\nክለብ ስፖርት ቅዱስ ጊዮርጊስ (ኣምሓርኛ : ቅዱስ ጊዮርጊስ ስፖርት ክለብ) ፣ ብኻልእ ኣጸዋውዓ ኪዱስ ጊዮርጊስ ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፣ ኢትዮጵያ ዝመደበራ ፕሮፌሽናል ኩዕሶ እግሪ ክለብ እያ። ኣብ ላዕለዋይ ዲቪዥን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ፡ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ይጻወታ። ኣብ 1935 ዝተመስረተት እዛ ክለብ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ መጀመርታ ኮይና ምልክት ሃገራውነት ኢትዮጵያን ተቓውሞን ኣንጻር ጎበጥቲ ሓይልታት ፋሽሽታዊ ጣልያን ኮይና ተመስሪታ ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6068"} {"headline":"ፍልስጤም","content":"ፍልስጤም\n\nካብ ባሕሪ ሜዲተራንያን ብደቡባዊ ምብራቕ ክሳብ ጎልጎል ዮርዳኖስ ዝርከብ ጂኦግራፍያዊ ከባቢ ኮይኑ፡ ኣብ ገለ ትርጉማት ድማ ካብ ሩባ ዮርዳኖስ ንምብራቕ ዝርከቡ ከባቢታት ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ኣብ ምዕራብ ኤስያ ዝርከብን ብኣቀማምጣኡን ሓውሲ ደሴት ሲናይን ምስ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝራኸብን እዩ። ኣብቲ ምስ ግብጺ ዝተኣሳሰር ደቡባዊ ምዕራባዊ ክፋል ሌቫንት ዝፈጥር ክልቲአን ኣህጉራት ዝራኸበሉ ቦታ፤ ኣብ ታሪኽ ሃይማኖታት ካብ ዝነበሮ ማእከልነት ሓሊፉ መሳገሪን መጋጠሚ ባህልታትን ንግድን ፖለቲካን እዩ ነይሩ፣ ስለዚ ድማ ብዙሓት ከተማታታ ታሪኻዊ ወይ ሃይማኖታዊ ኣገዳስነት ኣለወን፣ ብፍላይ ድማ ኢየሩሳሌም።\n\nሎሚ ዶባት ናይቲ ታሪኻዊ ዞባ ኣብ ሓያሎ ዝተደራረቡ ፖለቲካዊ ኣካላት ዝተመርኮሰ ኮይኑ፡ ሃገረ እስራኤል (ኣብ ኲናት 1948 ድሕሪ ምምዝባል ኣማኢት ኣሽሓት ፍልስጤማውያን ካብ ዓዶም ዝተመስረተት)፡ ምዕራባዊ ገማግም ባሕርን ምድረበዳ ጋዛን፡ which Israel occupied in the 1967 war.እተን ዝተጎበጣ ግዝኣታት ብዘይካ’ቲ ምሉእ ብምሉእ ምድረበዳ ጋዛ ንሃገራዊ ፍልስጤም ምግዛእ፡ ካብ 1994 ጀሚሩ ኣብ ስምምዓት ኦስሎ ዝተመርኮሰ ሲቪላዊ ጉዳያት ህዝቢ ዘመሓድር ፍልስጤማዊ ርእሰ-ምምሕዳር በዓል መዚ ይመሓደራ ስልጣን ካብ እትወጽእ እስራኤል ካብ ምድረበዳ ጋዛ ኣብ 2005. ኣብ 2007 ምምቕቓል ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ርእሰ-ምምሕዳር ከባቢታት ኣብ ምድረበዳ ጋዛ ስልጣን ፈጢሩ ካልእ ድማ ኣብ ከተማታት ምዕራባዊ ገማግም ስልጣን ፈጢሩ። ኣብ ውሽጢ እዞም ዶባት ዘሎ ብዝሒ ህዝቢ ኣስታት 11,900,000 ሰባት ይግመት፣ ምኽንያቱ ኣብዚ እዋን’ዚ ዓቢ ክፋል ህዝቢ ታሪኻዊት ፍልስጤም ተዛረብቲ ዓረብኛ (ኣስላምን ክርስትያንን) ክኾኑ ከለዉ፣ እቲ ካልእ ክፋል ህዝባ ድማ ተዛረብቲ እብራይስጢ፣ ሰዓብቲ ሃይማኖት ኣይሁድ፣ ስደተኛታት እዮም። ከምኡ’ውን ደቂ ካልኦት ህዝብታት፣ ብሚእታዊቶም ድማ ሎሚ 49% ክኸውን ከሎ፣ ዓረብ ድማ 46% ይኸውን።\n\nድሕሪ ቀዳማይ ኲናት ዓለምን ሳዕቤናቱን ካብ ውድቀት ግዝኣት ኦቶማን፡ ንፍልስጤምን ትራንስን ሓዊሱ ንኹላ ሌቫንት ዝቆጻጸር ዝነበረ፡ ውዕል ሰቭረስ፡ ዋዕላ ሳን ረሞ፡ ከምኡ’ውን ስምምዕ ሳይክስ-ፒኮ፡ ዶባት እንግሊዝ ማንዳት ኣብ ፍልስጤም ዝተሳእለ ኮይኑ፡ ዶባት ብነዊሕ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ብኣስታት ኣርባዕተ ዲግሪ ስፍሓት ይዝርጋሕ።ኣብ መንጎ ላቲቱድ 29.30ን 33.15ን ሰሜንን ሎንጊቱድ 34.15ን 35.40ን ንምብራቕን ዝዝርጋሕ ኮይኑ፡ ስፍሓት 26.990 ኪ.ሜ2 ዘለዎ ኮይኑ፡ ቀላይ ኪነሬትን... ፍርቂ ምዉት ባሕሪ። ብምዕራብ ብባሕሪ ማእከላይ ባሕሪ ዝዳወብ ኮይኑ 224 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪ፣ ብምብራቕ ብሶርያን ዮርዳኖስን፣ ብሰሜን ምስ ሊባኖስ፣ ብደቡብ ድማ ብግብጽን ወሽመጥ ዓቃባን ይዳወብ።\n\nፍልስጤም ቅርጻ ርብዒ ኩርናዕ ኮይኑ፡ ካብ ሰሜን ክሳብ ደቡብ ንውሓታ 430 ኪ.ሜ፡ ስፍሓታ ድማ ብሰሜን ካብ 51-70 ኪ.ሜ፡ ኣብ ማእከል ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ካብ 72-95 ኪ.ሜ ኣብ ራፋሕን ካን ዩኒስን ክሳብ ምዉት ባሕሪ 117 ኪ.ሜ. እቲ ዞባ ኣዝዩ ዝተፈላለየ መሬት ዘለዎ ኮይኑ፡ ብጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ድማ ኣብ ኣርባዕተ ዞባታት ዝተኸፋፈለ ኮይኑ፡ ካብ ምዕራብ ክሳብ ምብራቕ ካብ ገማግም ባሕሪ ቆላ፡ ጎቦታት፡ ኣኽራናት (ኣኽራን ገሊላ፡ ኣኽራናት ናብሉስ፡ ኣኽራናት የሩሳሌምን ኣኽራናት ኬብሮንን) ከምኡ’ውን ጎልጎል ዮርዳኖስ (ዮርዳኖስ እዩ። ሽንጥሮ). ኣብ ርሑቕ ደቡብ በረኻ ነገቭ ይርከብ። ኣብ መንጎ ኣኽራናት ናብሉስን ኣኽራናት ገሊላን ማርጅ ኢብን ዓመር ይርከብ።ካብ ኣኽራናት ናብሉስ ንሰሜናዊ ምዕራብ ዝዝርጋሕ እምባ ቀርሜሎስ ነቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከብ ቆላ ይሰግር። ቁመት ካብ 417 ሜትሮ ትሕቲ ጽፍሒ ባሕሪ ኣብ ምዉት ባሕሪ (ኣብ ዓለም እቲ ዝወሓደ ነጥቢ ኣብ መሬት) ክሳብ 1204 ሜትሮ ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ኣብ ጫፍ ጀበል ኣልጀርማቅ (እምባ ሜሮን ከምቲ ኣብ እስራኤል ዝጽዋዕ) ይርከብ።\n\nብፖለቲካዊ መዳይ ፍልስጤም ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ወጥሪ ዘለወን ዞባታት ጸጥታ ኮይና ብሰንኪ እቲ ብዙሓት ኣህጉራውያን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ፍልስጤማውያን ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ገይሮም ዝቖጽርዎ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ነቲ ኩነታት ዘጋድድ ስርሒታት ሰፈራ፡ ብዘይካ’ቲ ዓሌታዊ ኣተሓሕዛ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ከምቲ ብዙሓት ዓሌታዊ ዝቖጽርዎ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዝሃነጾ ናይ ምፍልላይ መንደቕ እስራኤል፡ እዚ ኩሉ ነገራት ሕማቕ ናይ ጸጥታ ሃዋህው ፈጢሩ። ሃገራዊ በዓል መዚ ፍልስጤም ኣብ 1993 ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ፡ ፍልስጤም ዝብል ስም ኣብ ገለ ጽሑፋት ብዓለምለኻዊ ደረጃ ተጠቒሙ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ በዓል መዚ ፍልስጤም ንዝርከቡ ግዝኣታት ንምምልካት ይጥቀመሉ ነይሩ። እንተ እቲ ፍልስጤማዊ መዓርግ ግን ሎሚ ብፍላይ ድማ ካብ 1948 ጀሚሩ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ንዝርከብ ህዝቢ ዓረብ (ህዝቢ ኣይሁድ ነዚ መዓርግ ንገዛእ ርእሶም ብምጥቃስ ከይጥቀሙሉ ክመርጹ እንከለዉ) የመልክት።\nSection::::እቲ ዕለት.\nፍልስጤም ኣብ መንጎ ግብጺ፣ ሊባኖስ፣ ሶርያን ዮርዳኖስን ኣብ ስትራተጂካዊ ቦታ ትርከብ።ዓዲ መልእኽትታትን መደቀሲ ስልጣነታት ደቂ ሰባትን እያ።ዕስራን ሓደን ስልጣነታት ካብ ሻሙናይ ሽሕ ዓመት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ብዕድመ ዝነውሐት ከተማኣ ኢያሪኮ ሓሊፎም። ዕሸል ሃይማኖታት ኣይሁድን ክርስትናን ኮይኑ፡ እዛ መሬት እዚኣ ኣብ ባህሊ፡ ሃይማኖት፡ ንግድን ፖለቲካን ዝተሰረተ ነዊሕ ታሪኽ ኣለዋ። ኣብ ፍልስጤም ታሪኻዊ መርትዖታት ብዛዕባ ነዊሕን ዝተሓዋወሰን ታሪኽ እዛ መሬት ካብ ቅድመ ታሪኽ ጀሚሩ ይዛረብ። ነዛ ምድሪ እዚኣ ዝሰፈሩ ብዕድመ ዝደፍኡ ፍሉጣት ሰባት ከነኣናውያን እዮም። እቲ ዞባ ብብዙሓት ዝተፈላለዩ ህዝብታት ዝቆጻጸር ዝነበረ ኮይኑ፡ ጥንታውያን ግብጻውያን፡ ፍልስጥኤማውያን፡ እስራኤላውያን፡ ኣሶራውያን፡ ባቢሎናውያን፡ ፋርሳውያን፡ ግሪኻውያን፡ ሮማውያን፡ ቢዛንታይን፡ ዓረብ ካሊፋት፡ መስቀላውያን፡ ኣዩቢድ፡ ማምሉክ፡ ኦቶማን፡ እንግሊዝ ኣብ መወዳእታ ድማ እስራኤል ድሕሪ 1948 ናክባ።\n\nSection::::ጂኦግራፊ.\nፍልስጤም ኣብ ምዕራብ ኣህጉር ኤስያ ኣብ መንጎ ሎንጊቱድ 15-34ን 40-35ን ምብራቕ፡ ላቲቱድ 30-29ን 15-33ን ሰሜን ድማ ትርከብ። ደቡባዊ ምዕራብ ክፋል ናይ ሓደ ዓቢ ጂኦግራፍያዊ ኣሃዱ ኣብ ምብራቕ ዓረብ ዝቖመ ኮይኑ፡ ንሱ ድማ ሌቫንት ኮይኑ፡ እዚ ድማ - ብዘይካ ፍልስጤም - ሊባኖስ፡ ሶርያን ዮርዳኖስን ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ድሕሪኡ ዶባታ ምስተን ሃገራት ተኻፊሉ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ምስ ዘለዋ ዶባት ግብጺ።\n\nከምኡ’ውን ፍልስጤም፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ዓረብ ብዘለዋ ማእከላይ ኣቀማምጣ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ኣኽናፋ ነቲ ኣብ ደቡብ ዘሎ መበቆላዊ ባህርያት በደዊን፡ ከምኡ’ውን ነቲ ጥንታዊ ቅዲ ሰፈራ ዘጠቓለለ ሰፊሕ ሜዳ መሬት፡ ምትሕውዋስ ባእታታት ተፈጥሮኣውን ሰብኣውን ጂኦግራፊ ትፈጥር ኣብ ሰሜን ዝርከብ። መሬት ፍልስጤም ዝፍለየሉ ምኽንያት፡ ኣካል ናይቲ መበቆላዊ ዓዲ ናይቲ ቀዳማይ ወዲ ሰብ፡ ትውልዲ ናይ ሓደ ኣምላኽ ዝኣምኑ ሃይማኖታት፡ ቦታ ምቕልቃል ጥንታውያን ስልጣነታት፡ መሳገሪ ንግዳዊ ምንቅስቓሳትን ወተሃደራዊ ወራራትን ኣብ ምሉእ ዝተፈላለየ ታሪኻዊ ምንባሩ እዩ። ዘመናት። ምስ ዓለም ብምትእስሳር ማእከላይ ኣቀማምጣኣ ኣብ መንጎ ኣህጉራት ጥንታዊት ዓለም፡ ኤስያ፡ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ዘራኽብ ረቛሒ ክትከውን ኣኽኢልዋ።ኩሉ ክሰፍር ዝደሊ። እዚ መርበብ ሓበሬታ እዚ ንምቁጽጻርን ብልጫታቱ ንምጥቃምን ትኹረት ናይቶም ተሃንጠይቲ እዩ ነይሩ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6070"} {"headline":"ቅጥዒ:መወከሲታት","content":"ቅጥዒ:መወከሲታት\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6071"} {"headline":"ሲሰሮ ስታድዩም","content":"ሲሰሮ ስታድዩም\n\nሲሰሮ ስታድዩም ኣብ ኣስመራ ኤርትራ ዝርከብ ብዙሕ ዕላማ ዘለዎ ስታድዩም ’ ዩ። እቲ ስታድዩም ብማሌዥያዊ ኣርኪተክተር ማይክል ኬሲ ቺያህ ዝተነድፈ ኮይኑ፡ ኣብ ህንጸት ሮያል ስታድዩም ፖሊስ ዖማን ዖማን ምምኽኻር ጀሚሩ። 6000 ሰብ ዝሕዝ ዓቕሚ ዘለዎ ኣብዚ እዋን እዚ መብዛሕትኡ ንጸወታታት ኩዕሶ እግሪ ይጥቀመሉ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6072"} {"headline":"ኢትዮጵያዊ ቡን SC","content":"ኢትዮጵያዊ ቡን SC\n\nኢትዮጵያዊት ቡን ስፖርት ክለብ ( ኣምሓርኛ : የኢትዮጵያቡና ስፖርት ክለብ)፣ ብኻልእ ኣጸዋውዓ ኢትዮጵያዊት ቡና ትፍለጥ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እትርከብ ፕሮፌሽናል ናይ ኢትዮጵያ ኩዕሶ እግሪ ክለብ እያ።\n\nኣባል ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኮይኖም ኣብ ላዕለዋይ ዲቪዥን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ይፃወቱ። ናይ ዓዶም ስታድዩም ኣዲስ ኣበባ ስታድዩም ’ ዩ። ምስ መወዳድርታ ዝኾነት ቅድስቲ ጊዮርጊስ ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዋ ዓበይቲ ደገፍቲ ሓንቲ እያ ትምካሕ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6073"} {"headline":"ቸንቾ ጌልትሸን","content":"ቸንቾ ጌልትሸን\n\nቸንቾ ጌልትሸን (10 ግንቦት 1996 ተወሊዱ) ቡታናዊ ፕሮፌሽናል ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኮይኑ፡ ኣብ ክለብ ኣይ-ሊግ ራውንድግላስ ፑንጃብ ከም ኣጥቃዓይ ዝጻወትን ሓለቓ ጋንታ ሃገራዊት ጋንታ ቡታንን እዩ። ጂልትሸን ኣብ ኩሉ ግዜ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ኣህጉራዊ ኣመዝጋቢ ሸቶ ቡታን ኢዩ።\n\nንሱ ብፍቕሪ \"CG7\" ወይ \"ቡታናዊ ሮናልዶ\" ዝብል ሳጓ ይወሃቦ ፡ ምኽንያቱ ምስ ናይ ክርስትያኖ ሮናልዶ ዝመሳሰል ቅዲ ጸወታኡ ። ጂልትሸን ካብ ሃገር ወጻኢ ዝተጻወተ ናይ መጀመርታ ቡታናዊ ፕሮፌሽናል ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ እዩ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6074"} {"headline":"ኣዲስ ኣበባ ስታድየም","content":"ኣዲስ ኣበባ ስታድየም\n\nስታድዩም ኣዲስ ኣበባ ( ኣምሓርኛ : አዲስ አበባ ስታዲስ) ኣብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ብዙሕ ዕላማ ዘለዎ ስታድዩም እዩ። ዋላ እኳ ናይ ኣትሌቲክስ መሳለጥያታት እንተሃለዎ መብዛሕትኡ ግዜ ንጸወታታት ኩዕሶ እግሪ ዝውዕል እዩ። እቲ ስታድየም 35 ሽሕ ሰባት ዝሕዝ እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6075"} {"headline":"ኣቡበከር ናስር","content":"ኣቡበከር ናስር\n\nኣቡበከር ናስር ኣሕመድ (23 ለካቲት 2000 ዓ.ም.ፈ) ኢትዮጵያዊ ፕሮፌሽናል ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኮይኑ፡ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ኩዕሶ እግሪን ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያን ምስ ማሜሎዲ ሳንዳውንስ ከም ኣጥቃዓይ ኮይኑ ይጻወት ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ምስ ኢትዮጵያ ቡና ኤስ ሲ ተጻዊቱ ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6076"} {"headline":"መቐለ 70 እንደርታ ኤፍ.ሲ","content":"መቐለ 70 እንደርታ ኤፍ.ሲ\n\nመቐለ 70 እንደርታ FC ኣብ መቐለ ኢትዮጵያ ዝመደበሩ ናይ ኢትዮጵያ ኩዕሶ እግሪ ክለብ እዩ። ኣባል ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኮይኑ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ላዕለዋይ ዲቪዥን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ይፃወት። እታ ክለብ ድሕሪ ምዝዛም ዓመተ ስፖርት 2016-17 ንፈለማ እዋን ናብ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ደይባ። ኣብ ዓመተ ስፖርት 2018\/19 መቐለ 70 እንደርታ ሻምፕዮን ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ኮይና ንኢትዮጵያ ወኪላ ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ካፍ 2019 ክትሳተፍ ከላ ኣብ ቀዳማይ ዙር ግን ይጎድላ። \n\nኣብዚ ሕዚ እዋን እታ ክለብ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ 2019\/2020 ካብ ዝመርሓ ጋንታታት ሓንቲ እያ [https:\/\/web.archive.org\/web\/20210127105152\/https:\/\/soccerethiopia.net\/ethpl-2012 [1]<\/nowiki>] ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6077"} {"headline":"ጌታነህ ከበደ","content":"ጌታነህ ከበደ\n\nጌታነህ ከበደ ገበቶ (ተወሊዱ 2 ሚያዝያ 1992) ኢትዮጵያዊ ፕሮፌሽናል ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኮይኑ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ክለብ ወልኪተ ሲቲ ከም ኣጥቃዓይ ዝጻወት እዩ።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6078"} {"headline":"ሮሞዳን ዩሱፍ","content":"ሮሞዳን ዩሱፍ\n\nሮሞዳን ዩሱፍ መሓመድ ( : መዳን ዩሱፍ\n\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6079"} {"headline":"ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ","content":"ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ\n\nሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ( ኣምሓርኛ : የአትዮጵያ ብሔራዊ እግርያስ ቡድን)፡ ብስም ዋሊያ \"ዋሊያ\" ትጽዋዕ ፡ ንኢትዮጵያ ወኪላ ኣብ ኣህጉራዊ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ተባዕትዮ ኮይና፡ ብፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ትቆጻጸር። እዛ ጋንታ ካብ ዓ.ም. ዋልያታት ኣብ ሜድኦም ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ስታድዩም ኣዲስ ኣበባ ይጻወቱ ።\n. \n\nኢትዮጵያ ኣብ 1957 ኣብ ፈላሚ ዋንጫ ኣፍሪቃ ካብ ዝተሳተፋ ሰለስተ ጋንታታት ጥራይ (ምስ ግብጽን ሱዳንን ) ሓንቲ እያ ነይራ። ኣብቲ ውድድር ኣብ 1962 ተዓዊታ ፡ ኣአንጋዲት እውን እያ ነይራ። ይኹን እምበር፡ ካብ መወዳእታ 1960ታት ኣትሒዙ ዓወት ክርከብ ኣይከኣልን እዩ። ኣብ ትሕቲ ኣሰልጣኒ ሰውነት ቢሻው ፡ እታ ጋንታ ድሕሪ ናይ 31 ዓመታት ካብ ጸወታ ወጻኢ ናብ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2013 ሓሊፋ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6080"} {"headline":"ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ","content":"ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ\n\nሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ንኤርትራ ወኪሉ ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ኣህጉራዊ ኩዕሶ እግሪ ኮይኑ ብሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ (ENFF) ይቆጻጸር። \"ሳጓ ድማ ኣወዳት ቀይሕ ባሕሪ\" ’ ዩ ዝወሃቦ። ናብ ፍጻመ ዋንጫ ዓለምን ዋንጫ ኣፍሪቃን ሓሊፋ ኣይትፈልጥን ። ናይ ውሽጢ ዓዲ ክለብ ቀይሕ ባሕሪ FC ቀንዲ ኣቕራቢ ሃገራዊት ጋንታ እያ፣ እታ ጋንታ ንኽልቲኦም ፊፋን ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃን (CAF) ትውክል።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6081"} {"headline":"የድምጽ ሳጥን","content":"የድምጽ ሳጥን\n\nንትራክያን ፍሪንክስን የራኽብ። እቶም መትሓዚ ድምጺ ከም ኣዳምስ ኣፕል፡ ግሎቲስ፡ ኮክሊያ ወይ ላሪንክስ ወይ ኤፒግሎቲስን ድምጽን ዝኣመሰሉ ኣቃውማታት የጠቓልሉ። እቶም መስመራት ድምጺ ነቲ ካብ ሳንቡእ ዝለዓል ኣየር ናብ መትሓዚ ድምጺ ብምቕናዕ ድምጺ ዘረባ የፍሪ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6083"} {"headline":"ኢመይል","content":"ኢመይል\n\nWwxxy","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6086"} {"headline":"ጀፍሪ ማርሽ","content":"ጀፍሪ ማርሽ\n\nጀፍሪ ማርሽ ኣብ 1900ታት ፖለቲካዊ ሰብ እዩ ነይሩ። ካብ ሮደዥያ ዝመጸ ጸረ እንግሊዝ ተቓዋሚ እዩ ነይሩ። ብ1890 ተወሊዱ ብ1974 ዓሪፉ።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6090"} {"headline":"ሙጎ ጋተሩ","content":"ሙጎ ጋተሩ\n\nኣር ሙጎ ጋተሩ (፪፩ ነሓሰ ፩፱፪፭ – ፪፯ ሕዳር ፳፩፩) ኬንያዊ ጸሓፊ እዩ። እታ ቆልዓ ክልተ ዓለም እትብል ታሪኽ ህይወቱ ኣብ መግዛእታዊ ኬንያ ከምዝዓበየ ትሕብር። \n\nጋተሩ ኣብ ሕርሻ ኤውሮጳ ካብ ዝነብሩ ስኩተር ስድራቤት እዩ ተወሊዱ። ኣብ ከተማ ናይሮቢ ትምህርቲ ሕክምና ተማሂሩ ፡ እንተኾነ ግን ነቲ ብገዛእቲ መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪካውያን ዝፍጸም ዝነበረ ኣተሓሕዛ ብምቅዋሙ ትምህርቱ ኣቛሪጹ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ክቕጽል ተገዲዱ። ንሓደ ዓመት ኣብ ህንዲ ድሕሪ ምጽናሕ፡  ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ሕጊ ቅድሚ ምምሃሩ ፣ ካብ ፩፱፶ ጀሚሩ ንሸሞንተ ዓመታት ኣብ ኣመሪካ ኣሕሊፉ። ኣብ ፩፱፮፫ ናጽነት ምስ ረኸበት ናብ ዓዱ ኬንያ ተመሊሱ። \n\nኣብ ሳክራሜንቶ ኣብ ዝርከብ ካሊፎርንያ ስቴት ዩኒቨርሲቲ ንብዙሕ ዓመታት ታሪኽ ኣፍሪካን ማእከላይ ምብራቕን ኣምሂሩ። \n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6091"} {"headline":"መዝገብ ስም ዓውዲ","content":"መዝገብ ስም ዓውዲ\n\nመዝገብ ስም ዶመይን ማለት ንመዕቆቢ ኣስማት ዶሜይን ኢንተርነት ዘመሓድር ኩባንያ እዩ። ሓደ መዝገብ ስም ዶመይን ብጀነሪክ ላዕለዋይ ደረጃ ዶመይን (gTLD) መዝገብ ወይ ብኮድ ሃገር ላዕለዋይ ደረጃ ዶመይን (ccTLD) መዝገብ ተፈላጥነት ክህልዎ ኣለዎ። ሓደ መዝገብቲ ብመሰረት መምርሒ ናይቶም ዝተመደቡ መዝገብ ስም ዶሜይን እዩ ዝሰርሕ።\n\nክሳብ 1999 ኔትወርክ ሶሉሽንስ ኢንክ (NSI) ንcom, net, and org top-level domains (TLDs) ዝኸውን መዝገብ የካይድ ነይሩ። ብዘይካ እቲ ናይ ዶሜይን ስም መዝገብ ኦፕሬተር ዝሰርሖ ስራሕ፡ ናይዞም ዶመይናት ብሕታዊ መዝገብቲ እውን እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ሓያሎ ኩባንያታት ነጻ ኣገልግሎት መዝገብቲ ኣማዕቢለን ነይረን። ኣብ 1996 ሓደ ከምዚኦም ዝበሉ ኩባንያታት፡ ናይ ኢቫን ፖፕ ኩባንያ፡ ኔትነምስ፡ ምዝገባ ዶመይንን ካልእ ተዛመድቲ ኣገልግሎታትን ንህዝቢ ዝሸይጥ ንበይኑ ንግዳዊ ኣገልግሎት ምዝገባ ስም ዶመይን ዝብል ኣምር ኣማዕቢሉ፡ ብውጽኢታዊ መንገዲ ቅልጽም ችርቻሮ ናይ ሓደ ኢንዱስትሪ ምስ መዝገብ ጅምላ ሸየጥቲ ብምምስራት . NSI ነዚ ሞዴል እዚ ኣሲሚልዎ፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ምፍልላይ ተግባራት መዝገብን መዝገብን ኣምሪሑ።\n\nኣብ 1997 ፒጂሚድያ ንዲኤንኤስ ሱር ዞባ ከም ኣገዳሲ መሳለጥያ ብምጥቃስ ኣንጻር ኤንኤስኣይ ጸረ-ትራስት ክሲ ኣቕሪቡ፡ ሃገራዊ ሳይንስ ፋውንዴሽን ኣመሪካ (NSF) ድማ ከም ተኸሳሲ ኣብዚ ስጉምቲ ተጸንቢሩ። ኣብ መወዳእታ፡ NSI ካብ ጸረ-ትራስት ክሲ ነጻነት ተዋሂብዎ፡ እቲ ክሲ ግን ንዕዳጋ ዶሜይን ስም ዳግማይ ንምውዳብ እኹል ጸቕጢ ፈጢሩ።\n\nኣብ ጥቅምቲ 1998፡ ብሰንኪ ጸቕጢ ናይቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዝነበረ ናይ ዶሜይን ስም ምዝገባ ንግዲን ካልኦት ግዱሳት ወገናትን፡ ስምምዕ ኤን.ኤስ.ኣይ ምስ ክፍሊ ንግዲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተኣሪሙ። እዚ ምምሕያሽ እዚ ንብዙሓት መዝገብቲ ዝድግፍ ናይ ሓባር ስርዓተ ምዝገባ ምፍጣር ዝጠልብ ነይሩ። እዚ ስርዓት እዚ፡ ካብ 11 መጋቢት 1999 ጀሚሮም ነቲ ስርዓት ዝጥቀሙ ሓያሎ ናይ ፈተነ ዓራት መዝገብቲ እኳ እንተነበሩ፡ ብ30 ሕዳር 1999 ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኢንተርነት ኮርፖሬሽን ንዝተመደበ ኣስማትን ቁጽርታትን (ICANN) ኣገልግሎት ጀሚሩ።ካብ ሽዑ ጀሚሩ ልዕሊ 900 መዝገብቲ ኣትዮም ዕዳጋ ኣገልግሎት ምዝገባ ስም ዶሜይን\n\nካብቶም ኣብ መጀመርታ ናብ ዕዳጋ ዝኣተዉ መዝገብቲ፡ ብዙሓት ዕብየቶም ቀጺሎምን ንመወዳድርቶም ይበልጹን። ጎዳዲ እቲ ዝዓበየ መዝገብቲ እዩ። ካልኦት ብሰፊሑ ዝጥቀሙ መዝገብቲ ድማ ኢኖም፡ ቱኮውስን ዌብሰንትራልን ይርከብዎም። ፈለማ ንዕዳጋ ዝመርሑ ዝነበሩ ድሒሮም ግን ብመወዳድርቶም ዝተበገሱ መዝገብቲ ኔትወርክ ሶሉሽንስን ዶትስተርን ይርከብዎም።\n\nነፍሲ ወከፍ ብICANN ተፈላጥነት ዘለዎ መዝገብቲ ውሱን ክፍሊት 4,000 ዶላር ኣሜሪካ ተወሲኹዎ ተለዋዋጢ ክፍሊት ክኸፍል ኣለዎ። ድምር ተለዋዋጢ ክፍሊት መዝገብቲ ብድምር 3.8 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ክኸውን ተሓሲቡ ኣሎ። እቲ ብናይ ሓባር ስርዓተ ምዝገባ ዝፍጠር ውድድር፡ ናይ መወዳእታ ተጠቀምቲ ካብ ብዙሓት ብዝተፈላለየ ዋጋ ዝተፈላለየ ተዛመድቲ ኣገልግሎታት ዝህቡ መዝገብቲ ክመርጹ የኽእሎም።\n\nSection::::ዝተመደበ መዝገብ.\nሓበሬታ ምዝገባ ዶመይን ብናይ ዶሜይን ስም መዝገብ ዝዕቀብ ኮይኑ፡ ምስ መዝገብቲ ዶመይን ውዕል ብምግባር ንህዝቢ ኣገልግሎት ምዝገባ ይህቡ። ሓደ ናይ መወዳእታ ተጠቃሚ ነቲ ናይ ምዝገባ ኣገልግሎት ዝህብ መዝገብቲ ይመርጽ፣ እቲ መዝገብቲ ድማ ነቲ ተጠቃሚ ዝመረጾ ዓውዲ ዝተመደበ መዝገብቲ ይኸውን።\n\nእቲ ዝተመደበ መዝገብቲ ጥራይ እዩ ኣብ ማእከላይ ዳታቤዝ መዝገብ ብዛዕባ ኣስማት ዓውዲ ሓበሬታ ክቕይር ወይ ክድምስስ ዝኽእል። ሓደ ናይ መወዳእታ ተጠቃሚ ኣብ መንጎ እቶም ዝሳተፉ መዝገብቲ መስርሕ ምስግጋር ዓውዲ ብምጽዋዕ፡ ብፍሉይ ፖሊሲታት ምስግጋር ስም ዓውዲ ዝምራሕ፡ መዝገብቲ ክቕይር ልሙድ ኣይኮነን።\n\nሓደ መዝገብቲ ንሓደ ናይ መወዳእታ ተጠቃሚ .com ዶሜይን ስም ክምዝግብ ከሎ፡ ዝለዓለ ዓመታዊ ክፍሊት 7.85 ዶላር ኣመሪካ ንVeriSign፡ ንcom መዝገብ ኦፕሬተር፡ ከምኡ’ውን ንICANN 0.18 ዶላር ኣመሪካ ዓመታዊ ክፍሊት ምምሕዳር ክኸፍል ኣለዎ። መብዛሕትኦም መዝገብቲ ዶመይን ንኣገልግሎታቶምን ፍርያቶምን ዋጋ ንኽልቲኡ ዓመታዊ ክፍሊትን ንICANN ክኽፈል ዘለዎ ናይ ምምሕዳር ክፍሊትን ንምፍታሕ እዩ። ናብ ኢንዱስትሪ ጅምላዊ መዝገብቲ ንኸይኣትዉ ዝዕንቅፉ ሓደስቲ ኩባንያታት ንዘሎ ዓማዊል ዘይብሎም ልዑል እዩ።\n\nብዙሓት መዝገብቲ ብመንገዲ ዳግመ-ሸያጢ ምትእስሳር እውን ምዝገባ የቕርቡ። ሓደ ናይ መወዳእታ ተጠቃሚ ወይ ብቐጥታ ምስ መዝገብቲ ይምዝገብ፣ ወይ ድማ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ብሓደ ወይ ልዕሊኡ ንጣብ ዳግመ-ሸየጥቲ ይምዝገብ። ካብ 2010 ጀሚሩ፡ እቲ ናይ ችርቻሮ ወጻኢታት ብሓፈሻ ካብ ትሑት ኣስታት $7.50 ኣብ ዓመት ክሳብ ኣስታት $35 ኣብ ዓመት ንቐሊል ምዝገባ ዶመይን ይበጽሕ፡ ዋላ እኳ መብዛሕትኡ ግዜ መዝገብቲ ምስ ካልኦት ፍርያት ከም ዌብ ሆስቲንግ ክእዘዙ ከለዉ ነቲ ዋጋ ኣዝዩ ትሑት እንተኾነ - ሓደ ሓደ ግዜ ብነጻ ከይተረፈ ኣገልግሎት ምሃብ።\n\nንሓደ ዶሜይን ስም ዝለዓለ ናይ ምዝገባ ግዜ 10 ዓመት እዩ። ገለ መዝገብቲ ክሳብ 100 ዓመት ዝበጽሕ ነዊሕ ግዜ ይህቡ፣ ከምዚኦም ዝበሉ ምቕራብ ግን እቲ መዝገብቲ ንዓሚሎም ምዝገባ ምሕዳስ ዘጠቓልል እዩ፤ እቲ ናይ 100 ዓመት ምዝገባ ኣብቲ ወግዓዊ ዳታቤዝ ምዝገባ ኣይምሃለወን።\n\nSection::::ዲኤንኤስ ሆስቲንግ.\nምዝገባ ናይ ሓደ ዓውዲ ስም ኣብ DNS ኣገልገልቲ ናይቲ ወላዲ ዓውዲ ስብስብ ናይ ስም ኣገልጋሊ መዛግብቲ ይምስርት፣ እዚ ድማ ናይቶም ንዓውዲ ስልጣን ዘለዎም ናይ DNS ኣገልገልቲ IP ኣድራሻታት የመልክት። እዚ ንቐጥታዊ ሕቶታት ናይ ዓውዲ ዳታ መወከሲ ይህብ።\n\nምዝገባ ናይ ሓደ ዓውዲ ብቐጥታ ነቲ ዝተመዝገበ ዓውዲ ኣገልግሎት DNS ምሃብ ዘመልክት ኣይኮነን። መብዛሕትኦም መዝገብቲ ብእኦም ኣቢሎም ንዝተመዝገቡ ዶመይናት DNS hosting ከም ኣማራጺ ነጻ ኣገልግሎት ይህቡ። ኣገልግሎታት ዲኤንኤስ እንተዘይተዋሂቡ፡ ወይ እቲ ናይ መወዳእታ ተጠቃሚ ካብቲ ውድድር እንተወጺኡ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ተጠቃሚ ኣገልግሎት ዲኤንኤስ ናይ ምዕዳግ ወይ ባዕሉ ናይ ምእንጋድ ሓላፍነት ኣለዎ። መዝገብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብውሑዱ ክልተ ናይ ስም ኣገልገልቲ ስፔሲፊኬሽን ይጠልቡ።\n\nSection::::ናይ DNSSEC ደገፍ.\nዶመይን ኔም ሲስተም ሴኩሪቲ ኤክስቴንሽንስ (DNSSEC) ብስርዓት ዶሜይን ኔም ዝቐርብ ዝተወሰኑ ዓይነታት ሓበሬታ ንምውሓስ ዝሕግዝ ስብስብ ናይ ኢንተርነት ምህንድስና ሓይሊ ዕማም (IETF) ስፔሲፊኬሽን እዩ። እዚ ድማ ሓደ መዝገብቲ ህዝባዊ ቁልፊ ዳታ ምምስራሕን ናብቲ ወላዲ ዞባ ንኽውሰኹ መዛግብቲ ዲኤስ ምፍጣርን የጠቓልል። ኩሎም ሓደስቲ GTLD መዝገብትን መዝገብትን DNSSEC ክድግፉ ኣለዎም።\n\nSection::::ምትሕልላፍ ስም ዓውዲ.\nምትሕልላፍ ስም ዶመይን ማለት ነቲ ዝተመደበ መዝገብቲ ናይ ሓደ ዶሜይን ስም ናይ ምቕያር መስርሕ እዩ። ICANN ኣብ መንጎ መዝገብቲ ምዝውዋር ምዝገባ ዝምልከት ፖሊሲ ኣቐሚጡ ኣሎ።እቲ ልሙድ መስርሕ ምትሕልላፍ ስም ዶሜይን እዩ።\n\n\nድሕሪ እዚ መስርሕ እዚ እቲ ሓድሽ መዝገብቲ ናይቲ ዶሜይን ስም ዝተመደበ መዝገብቲ እዩ። እቲ መስርሕ ኣስታት ሓሙሽተ መዓልታት ክወስድ ይኽእል። ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት፡ እቲ ናይ ቀደም መዝገብቲ፡ ክሳብ ዝፍቀድ ነቲ ዝውውር ኮነ ኢሉ ከደናጉዮ ይኽእል። ድሕሪ ምስግጋር፡ እቲ ዶመይን ን60 መዓልታት ዳግማይ ክሰጋገር ኣይክእልን እዩ፡ ብዘይካ ናብቲ ዝሓለፈ መዝገብቲ ምምላስ።\n\nንሓደ ዶመይን ቅድሚ ግዜኡ ምውዳቑ ብቕጽበት ከተሰጋግሮ ምፍታን ልቦና ኣይኮነን። ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት ሓደ ዝውውር ክሳብ 14 መዓልታት ክወስድ ይኽእል እዩ፣ እዚ ማለት እቲ ዝውውር ቅድሚ እቲ ምዝገባ ምውዳኡ ከይዛዘም ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ምዝገባ ስም ዶመይን ምጥፋእን እቲ ዝውውር ምፍሻልን ከስዕብ ይኽእል። ነዚ ንምውጋድ፡ ናይ መወዳእታ ተጠቀምቲ ወይ ቅድሚ እቲ ምውዳእ መዓልቲ ኣጸቢቑ ክሰጋገሩ ኣለዎም፡ ወይ ድማ ቅድሚ ነቲ ምስግጋር ምፍታኖም ነቲ ምዝገባ ከሐድስዎ ኣለዎም።\n\nሓደ ምዝገባ ዶመይን ግዜኡ እንተ ኣኺሉ፡ ምኽንያት ብዘየገድስ፡ እቲ መበቆላዊ ዋና ንኽመልሶ ኣጸጋሚ፡ ክቡር ወይ ዘይከኣል ክኸውን ይኽእል። ድሕሪ እቲ ናይ ምውዳእ ዕለት፡ እቲ ናይ ዓውዲ ኩነታት መብዛሕትኡ ግዜ ብሓያሎ ናይ ምሕደራ ምዕራፋት ይሓልፍ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንኣዋርሕ፤ መብዛሕትኡ ግዜ ብሓፈሻኡ ጥራይ ኣይከውንን እዩ።\n\nናይ ምስግጋር ምትላል\n\nምትእትታው ናይ ሓባር መዝገብ ስርዓት፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ናይ ዶሜይን ምዝገባ ሞኖፖሊ፡ ንሓደስቲ ብመዝገብቲ ዝፍለጡ ኣካላት ከፊቱሎም፡ እዚኦም ድማ ብICANN ንግዲ ንኽገብሩ ብቑዓት ነይሮም። ብዙሓት መዝገብቲ ኣብ ነንሕድሕዶም ክወዳደሩ ነይርዎም፣ ዋላ እኳ ገለ ኩባንያታት ተወሳኺ እሴት ዘለዎ ኣገልግሎት እንተሃባ ወይ ቫይራል ማርኬቲንግ ይጥቀማ እንተነበራ፣ ካልኦት ከም በዓል ቨሪሳይንን ዶመይን ረጂስትሪ ኦፍ ኣሜሪካን ግን ዓማዊል ካብቲ ሕጂ ዘለዎም መዝገብቲ ንኽቕየሩ ብዶሜይን ስላሚንግ ዝፍለጥ ልምዲ ተጠቒሞም ከታልሉ ፈቲኖም .\n\nብዙሓት ካብዞም ናይ ምስግጋር ምትላል ብፖስታ፡ ብፋክስ ወይ ብኢመይል ዝለኣኽ ምልክታ ዘጠቓልሉ እዮም። ገለ ኣስገርቲ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ምስ ናይ መወዳእታ ተጠቀምቲ ብተሌፎን ይራኸቡ (እቲ ርክብ ሓበሬታ ብመንገዲ WHOIS ስለዝርከብ)። እዞም ምልክታታት እዚኦም ንመልክዕ ሓቅነት ንምውሳኽ ካብ ዳታቤዝ WHOIS ብህዝቢ ዝቐርብ ሓበሬታ ዘጠቓልሉ ምኾኑ። እቲ ጽሑፍ ነቲ ናይ መወዳእታ ተጠቃሚ ወግዓዊ ቀያዲ ምልክታ እዩ ኢሉ ንኽሓስብ ንምድንጋር legalese ምሓወሰ። መዝገብቲ ምትላል ደድሕሪ ኣብ ቀረባ እዋን ዝውድኡ ወይ ኣብ ቀረባ እዋን ግዜኦም ዝሓለፉ ኣስማት ዶሜይን ይኸዱ። ናይ ዶመይን ስም ናይ ምውዳእ መዓልታት ብመንገዲ WHOIS ብቐሊሉ ይርከብ።\n\nSection::::ድሮፕ ካቸር.\nድሮፕ ካቸር ንሓደ ዓሚል ዝተዋህበ ዶሜይን ስም ብቕልጡፍ ንምምዝጋብ ዝፍትን ኣገልግሎት ዝህብ መዝገብ ስም ዶሜይን ኮይኑ፡ እቲ ስም እንተድኣ ተረኺቡ-ማለት \"ዝወደቐ\" ስም \"ምሓዝ\"-ምዝገባ ናይቲ ዶሜይን ስም ምስተወድአን... ድሕሪኡ ይስረዝ፣ ወይ እቲ ተመዝጋቢ ነቲ ዶመይን ስለዝገድፎ ወይ ድማ እቲ ተመዝጋቢ ቅድሚ ምድምሳስ ነቲ ምዝገባ ስለዘየሐደሶ።\n\nSection::::ደረጃታት መዝገብቲ.\nሓያሎ ትካላት ብብጽሒት ዕዳጋ ዝተሰርዐ ዝርዝር ናይ ዶሜይን ስም መዝገብትን ኣብ ነፍሲ ወከፎም ዝተመዝገቡ ቁጽሪ ዶመይናትን ይልጥፉ። እቶም ዝተሓትሙ ዝርዝር ኣየኖት ላዕለዎት ደረጃታት ዶመይናት (TLDs) ከም ዝጥቀሙ ይፈላለዩ፤ ኣብ ድግግም ምዕባለታት፤ ከምኡ’ውን መሰረታዊ ዳታኦም ብመዝገብ ዝቐርቡ ፍጹም ቁጽርታት ድዩ፣ ወይስ ካብ ፋይላት ዞባ ዝመጽእ መዓልታዊ ለውጢ ምዃኑ።\n\nእቶም ዝርዝር ኩሎም እንተበዝሐ ክሳብ ታሕሳስ 2009 ዝነበሩ 16 ብህዝቢ ዝቐርቡ ጀነሪክ TLDs (gTLDs) ዝጥቀሙ ይመስሉ፣ ተወሲኹዎም .us። ኣብ ለካቲት 2010 ዝተዳለወ ናይ ICANN ዞባ ፋይል ምብጻሕ ኣምር ወረቐት[5] መብዛሕትኦም ናይ ሃገር ኮድ TLD (ccTLD) መዝገብ ኣብ 2003 ንናይ ዞባ ፋይላት ምሃብ ከምዘቋረጹ ይገልጽ፣ እዚ ድማ ብዘይግቡእ ብምጥቃስ እዩ።\n\nዝተሓትሙ ደረጃታትን ጸብጻባትን፤\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6092"} {"headline":"Hanshin Tigers","content":"Hanshin Tigers\n\nሃንሺን ነብር የጃፓን ቤዝቦል ቡድን ነው።\n\nSection::::አጠቃላይ እይታ.\nየሃንሺን ነብሮች የጃፓን በጣም ተወዳጅ የቤዝቦል ቡድን ናቸው።ብዙ አድናቂዎች አሉ እና ሁል ጊዜ አስደሳች ነው።\n\nSection::::ያዘጋጀው.\nሾፉ ኦካዳ የተባለ ሰው ሥራ አስኪያጅ ሲሆን ከተጫዋቾች የበለጠ ተወዳጅ ነው.ከጨዋታው በኋላ መግለጫዎች የዚህ ቡድን ልዩ ናቸው።\n","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6095"} {"headline":"ሺንዞ አቤ","content":"ሺንዞ አቤ\n\nሺንዞ አቤ (安倍 晋三፣ አቤ ሺንዞ፣ [abe ɕindzoː]፣ መስከረም 21 ቀን 1954 - ጁላይ 8 2022) የጃፓን ጠቅላይ ሚኒስትር እና የሊበራል ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ (ኤልዲፒ) ፕሬዝዳንት ከ2006 እስከ 2007 እና ከ2007 ጀምሮ ያገለገሉ የጃፓን ፖለቲከኛ ነበሩ። ከ2012 እስከ 2020 በጃፓን ታሪክ ረጅሙ ጠቅላይ ሚኒስትር ነበሩ። አቤ እ.ኤ.አ. ከ2005 እስከ 2006 በጁኒቺሮ ኮይዙሚ ዋና የካቢኔ ፀሀፊ ሆኖ አገልግሏል እና በ2012 ለአጭር ጊዜ የተቃዋሚ መሪ ነበር።\n\nአቤ በቶኪዮ ከአንድ ታዋቂ የፖለቲካ ቤተሰብ የተወለደ ሲሆን የጠቅላይ ሚኒስትር ኖቡሱኬ ኪሺ የልጅ ልጅ ነበር። ከሴይኪ ዩኒቨርሲቲ ተመርቀው ለአጭር ጊዜ በሳውዝ ካሊፎርኒያ ዩኒቨርሲቲ ከተከታተሉ በኋላ፣ አቤ በ1993 ምርጫ የተወካዮች ምክር ቤት ሆነው ተመርጠዋል። እ.ኤ.አ. በ2005 አቤ በኮይዙሚ ዋና የካቢኔ ፀሀፊ ሆኖ ተሾመ እና በሚቀጥለው አመት ጠቅላይ ሚኒስትር እና የኤልዲፒ ፕሬዝዳንት አድርጎ ተክቷል። ከጦርነቱ በኋላ የጃፓን ታናሽ ጠቅላይ ሚኒስትር እና ከሁለተኛው የዓለም ጦርነት በኋላ የመጀመሪያው የተወለደው በብሔራዊ አመጋገብ ልዩ ስብሰባ ጠቅላይ ሚኒስትር መሆናቸውን አረጋግጠዋል ። አቤ በ2007 የምክር ቤት ምርጫ ፓርቲያቸው ከተሸነፈ በኋላ ብዙም ሳይቆይ በ ulcerative colitis በሽታ ምክንያት ከአንድ አመት በኋላ ጠቅላይ ሚኒስትርነቱን ለቋል። አቤ ከማገገም በኋላ በ2012 የቀድሞው የመከላከያ ሚኒስትር ሽገሩ ኢሺባን በማሸነፍ የኤልዲፒ ፕሬዝደንት በመሆን ያልተጠበቀ የፖለቲካ ጉዞ አድርጓል። ከሽገሩ ዮሺዳ እ.ኤ.አ. በ1948 ጀምሮ LDPን በ2014 እና 2017 ምርጫዎች ለተጨማሪ ድሎች በመምራት የጃፓን ረጅሙ ጠቅላይ ሚኒስትር በመሆን አገልግለዋል። እ.ኤ.አ. በ 2020 አቤ ከጠቅላይ ሚኒስትርነት የተነሱት የኮሊቲስ በሽታ ያገረሸባቸው ናቸው እና በዮሺሂዴ ሱጋ ተተክተዋል።\n\nአቤ የፖለቲካ ተንታኞች እንደ ቀኝ ክንፍ የጃፓን ብሔርተኛ ሲሉ የገለጹለት ጠንካራ ወግ አጥባቂ ነበር። ከኒፖን ካይጊ ጋር በማያያዝ፣ በሁለተኛው የዓለም ጦርነት ወቅት የምቾት ሴቶችን በመመልመል የመንግስት ማስገደድ ያለውን ሚና መካድን ጨምሮ፣ በጃፓን ታሪክ ላይ የነጋድያን አመለካከት ያዘ። ይህ አቋም በተለይ ከደቡብ ኮሪያ ጋር ውጥረት ፈጠረ። በእርሳቸው ጠቅላይ ሚኒስትርነት፣ በ2019 አቤ የጃፓን የኮሪያ አገዛዝን የሚመለከቱ ጉዳዮች ቀደም ሲል በ1965 በተደረገው ስምምነት የተፈቱ መሆናቸውን እና ተጨማሪ የካሳ ጥያቄ ደቡብ ኮሪያ ስምምነቱን ጥሳለች ሲል በ2019 በሁለቱ መካከል ያለው ግንኙነት የበለጠ እየሻከረ ሄደ። በዚያው አመት መጀመሪያ ላይ የአቤ መንግስት ከደቡብ ኮሪያ ጋር የንግድ ጦርነት የጀመረው የሀገሪቱ ጠቅላይ ፍርድ ቤት በግዴታ ስራ ተጠቃሚ በሆኑ የጃፓን ኩባንያዎች ማካካሻ ሊደረግ ይገባል ብሏል። አቤ የጃፓን ወታደራዊ ፖሊሲዎች በተመለከተም እንደ ጠንካራ ሰው ይቆጠር ነበር። እ.ኤ.አ. በ 2007 የቻይናን ኢኮኖሚያዊ እና ወታደራዊ ልዕለ ኃያል ሆና መምጣቷን ለመቃወም በመጀመሪያ የጠቅላይ ሚኒስትርነት ዘመናቸው ከሌሎች ሶስት ሀገራት ጋር የኳድሪተራል ሴኩሪቲ ውይይት (QUAD) አነሳሽ ነበር። የጃፓን የራስ መከላከያ ሃይል (ጃእመሃ) ሀገሪቱን ጦርነት እንዳታወጅ የከለከለውን ሰላማዊ የጃፓን ህገ መንግስት አንቀፅ 9ን በማሻሻል እንዲሻሻል አሳስቧል። እ.ኤ.አ. በ 2015 ወታደራዊ ማሻሻያዎችን አውጥቷል ፣ ይህም ጃፓን የጋራ ደህንነትን እንድትጠቀም እና ጃእመሃ ወደ ባህር ማዶ እንዲሰማራ ያስችለዋል ፣ ይህ ምንባቡ አወዛጋቢ እና ተቃውሞዎችን አጋጥሞታል። በኢኮኖሚ፣ የአቤ ፕሪሚየርነት የጃፓን የኢኮኖሚ ድቀት ለመመከት ባደረገው ሙከራ ይታወቃል፣ በቅፅል ስሙ “አቤኖሚክስ”፣ ውጤቱም የተለያየ ነው። አቤ ዩናይትድ ስቴትስ ከወጣች በኋላ የ ትራንስ-ፓሲፊክ አጋርነት (ትፓአ) ከ ትራንስ-ፓሲፊክ አጋርነት (CPTPP) አጠቃላይ እና ተራማጅ ስምምነት ጋር ወደ ነበረበት እንዲመለስ አድርጓል።\n\nእ.ኤ.አ. ጁላይ 8 2022 አቤ ከጁላይ 10 ምርጫ በፊት በናራ የዘመቻ ንግግር ሲያደርግ በቀድሞ የጃፓን የባህር ኃይል ራስን መከላከል ኃይል መርከበኛ ተገደለ። ተጠርጣሪው አብይን ኢላማ ያደረገው ከውህደት ቤተክርስቲያን ጋር ስላለው ግንኙነት ነው።","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6099"} {"headline":"Abeno Harukas","content":"Abeno Harukas\n\nAbeno Harukas(ጃፓን:あべのハルカス-) - ኦሳካ, ጃፓን ውስጥ የሚገኘው ሰማይ ጠቀስ. ግንባታ በ 2010 ተጀምሮ በ 2014 ተጀምሯል.","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6101"} {"headline":"ኮሺየን ስታዲየም","content":"ኮሺየን ስታዲየም\n\nኮሺየን ስታዲየም(ጃፓን:甲子園球場-) - ኦሳካ, ጃፓን ውስጥ የሚገኘው ስታዲየም. ግንባታ በ 1923 ተጀምሮ በ 1924 ተጀምሯል.","category":null,"url":"https:\/\/ti.wikipedia.org\/wiki?curid=6102"}